መጽሓፍ ነህምያ
መ. ነህምያ ምዕራፍ 1
1ዘረባ ነህምያ ወዲ ሓካልያ። ኮነ ድማ፡ ካብ መበል ዕስራ ዓመት ኣብ ወርሒ ከስለው፡ ኣነ ኣብ ግምቢ ሱሳን ነበኩ። 2ሓናኒ ሓደ ኻብ ኣሕዋተይን ገለ ሰብ ካብ ይሁዳን መጹ። ኣነ ድማ ብዛዕባ እቶም ዘምለጡን ካብ ምርኮ ዝተረፉ ኣይሁድን ብዛዕባ ዮሩሳሌምን ሓተትክዎም። 3ንሳቶም ድማ፡ እቶም ዝደሓኑን እቶም ካብ ምርኮ ዝተረፉን፡ ኣብኡ ኣብታ ሃገር፡ ብብዙሕ መከራን ጸርፍን እዮም ዝነብሩ ዘለው፡ መከባብያ ዮርሳሌም ከኣ ፈሪሱ ደጌታታውን ብሓዊ ነዲዱ በሉኒ። 4ኮነ ድማ፡ እዚ ዘረባ እዚ ምስ ሰማዕኩ፡ ሓያሎ መዓልቲ ሓዚነ እናበኸኹ ተቐመጥኩ። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሰማይ ድማ እጸውምን እጽልን ነበርኩ። 5በልኩ ኸኣ፡ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰማይ፡ ዓብዪን መፍርህን ኣምላኽ፡ ነቶም ዝፈትውኻን ትእዛዝካ ድማ ንዝሕልውን ኪዳንካን ምሕረትካን እትሕሉ፡ 6እቲ ንኣኻ ዝበደልናዮ ሓጢኣት ደቂ እስራኤል ዝእመኖ ዘሎኹ፡ ኣነን ቤት ኣቦይንሲ በዲልና ኢና እሞ እዚ ኣነ ባርያኻ ሕጂ ብዛዕባ ባሮትካ ደቂ እስራኤልን ለይትን መዓልትን ኣብ ቅድሜኻ ዝጽልዮ ዘሎኹ ጸሎትን ክትሰምዕ፡ በጃኻ ኣእዛንካ ጽን ይበላ፡ ኣዒንትኻውን ይከፈታ። 7ንሕና ኣዚና ንኣኻ ዓጊብና እቲ ንባርያኻ ሙሴ ዛኣዘዝካዮ ትእዛዛትን ሕጋጋትን ፍርድታትን ድማ ኣይሓሎናዮን። 8በጃኻ እቲ ንባርያኻ ሙሴ ኸምዚ ኢልካ ዝኣዘዝካዮ ዘክር፡ እንተ በደልኩምኒ፡ ኣነ ኸኣ ናብ ኣህዛብ ፋሕ ከብለኩም እየ። 9ናባይ እንተ ተመለስኩምን ትእዛዛተይ ከኣ እንተ ሓሎኹምን እንተ ገበርኩምዎን ግና፡ እቶም እተዘርዉኹም፡ ኣብ ወሰን ሰማይ እኳ እንተ ዝህልው፡ ካብኡ ኽእክቦም እየ፡ ናብታ ስመይ ኣብኣ ኽሓድር ዝሓሬኽዋ ቦታ ድማ ከምጽኦም እየ። 10ንሳቶም ብዓብዩ ሓይልኻን ብጽንዕቲ ኢድካን እተበጀኻዮም ባሮትካን ህዝብኻን እዮም። 11ዎ ጐይታይ፡ በጃኻ ጸሎት ባርያኻን ጸሎት እቶም ስምካ ብምፍራህ ዝፍስሁ ባሮትካን ስማዕ፡ በጃኻ፡ ሎሚ ንባርያኻ ኣቕንዓሉ፡ ኣብ ቅድሚ እዚ ሰብኣይ እዚ ኸኣ ንባርያኻ ምሕረት ሃቦ። — ኣነ ሽዑ ኣሰላፍ ሜስ ንጉስ ነበርኩ። —
መ. ነህምያ ምዕራፍ 2
1ኮነ ኸኣ፡ ኣብ መበል ዕስራ ዓመቱ ንንጉስ ኣርታሕሻስታ፡ ብወርሒ ኒሳን፡ ኣብ ቅድሚኡ ወይኒ ነበረ፡ ነቲ ወይኒ ወሲደ ኸኣ፡ ንንጉስ ሃብክዎ። ቀደም ኣብ ቅድሚኡ ጉሁይ ኣይነበርኩን። 2እቲ ንጉስ ከኣ፡ ዘይሓመምካ ኽነስኻ ገጽካ ጉህዩ፡ እንታይ ኮንካ ኢኻ፡ እዚ ኻልእ ነገር ኣይኮነን፡ ጓሂ ልቢ ደኣ እዩ በለኒ። ሽዑ ኣዝየ ፈርህኩ። 3ንንጉስ ከኣ፡ ንጉስ ንዘለኣለም ይንበር፡ እታ ቤት መቓብር ኣቦታተይ ዘለዋ ኸተማ ፈሪሳ፡ ደጌታታውን ብሓዊ ተወዲኤን ከለዋ ደኣ፡ ከመይ ገይረ ገጸይ ዘይጽልም፡ በልክዎ። 4እቲ ንጉስ ከኣ፡ እንታይ እሞ ትደሊ፡ በለኒ። ሽዑ ኣነ ኣብ ኣምላኽ ሰማይ ጸሌኹ። 5ንንጉስ ድማ፡ ንጉስ ጽቡቕ ኮይኑ እንተ ተራእይዎ፡ ጊልያኻ ድማ ኣብ ቅድሜኻ እንተ ደኣ አሐጉሱካስ ነታ ኸተማ መቓብር ኣቦታተይ ክሰርሓ ናብ ይሁዳ ስደደኒ በልክዎ። 6እቲ ንጉስ ከኣ፡ ንግስቲ ኣብ ጥቓኡ ኾፍ ኢላ ኸላ፡ ናብኡ ኽትከይድ ክንደይ ግዜ የድልየካ፡ መኣዝከ ትምለስ፡ በለኒ። ነቲ ንጉስ ዘመኑ ቖሪጸ ነገርክዎ፡ ኣዚ ነቲ ንጉስ ባህ ኣበሎ ሰደደኒ ኸኣ። 7ንንጉስ ድማ፡ እቶም ስግር ክንየው ርባ ዘለው መሳፍንቲ፡ ምድሪ ይሁዳ ኽሳዕ ዝኣቱ ምእንቲ ኸሕልፉኒ፡ ንንጉስ ጽቡቕ እንተ መሰሎ፡ ናይ ንጉስ ፈቓድ ደብዳበ ይወሃበኒ፡ 8ንኣሳፍ ሓላው ዱር ንጉስ ድማ ነታ ቤት ግምብን ደጌታትን፡ ነታ ኸተማ ኸኣ መካበብያን ኣነ ንዝኣትዋ ቤትውን ክሰርሓሉ ኣእዋም ክህበኒ፡ ደብዳቢ ሃበኒ በልክዎ። ከምታ ሕያወይቲ ኢድ ኣምላኸይ ምሳይ ዝነበረት ከኣ፡ ንጉስ ሃበኒ። 9ናብ እቶም ስግር ክንየው ርባ ዘለው መሳፍንቲ ድማ መጻእኩ። እቲ ናይ ንጉስ ደብዳቤታት ከኣ ሃብክዎም። እቲ ንጉስ ድማ ሓላቑ ሰራዊትን ፈረሰኛታትን ምሳይ ሰዲዱ ነበረ። 10ሳንባላጥ እቲ ሖሮናውን ጦብያ እቲ ዓሞናዊ ባርያን ንደቂ እስራኤል ጽቡቕ ዝሓስበሎም ሰብ ከም ዝመጸ ምስ ሰምዑ፡ ዓብዩ ጓሂ ጓሃዩ። 11ናብ ዮርሳሌም ከኣ መጻእኩ፡ ኣብኣ ድማ ሰለስተ መዓልቲ ተቐመጥኩ። 12ኮነ ኸኣ ብለይቲ ተንሳእኩ፡ ሒደት ሰባትውን ምሳይ ነበሩ። እቲ ኣነ ንዮርሳሌም ክገብረላ፡ ኣምላኸይ ኣብ ልበይ ዝሃበኒ ኸኣ ንሓደ ሰብ እኳ ኣይነገርኩን። ብዘይ እታ ኣነ ተወጢሐያ ዝነበርኩ እንሳሳ ኸኣ ካልእ እንስሳ ኸኣ ምሳይ ኣይነበራንን። 13ብለይቲ ድማ በታ ናይ ስንጭሮ ደገ ወጻእኩ፡ ኣብ መንጽር ዔላ ገበልን ኣብ ደገ መጉሓፍን ኣቢለ ኸኣ፡ እቲ ዝፈረሰ መካበብያ የሩሳሌምን እተን ብሓዊ እተወድኣ ደጌታትን ርኤኹ። 14ናብታ ደገ ዔላን ናብቲ ሓጽቢ ንጉስን ከኣ ሓለፍኩ። እታ ተወጢሐያ ዝነበርኩ እንስሳ እትሓልፈሉ ቦታ ግና ሰኣንኩ። 15ሽዑ በታ ለይቲ እቲኣ በቲ ርባ ርባ እናደየብኩ ነቲ መካበብያ እርእዮ ነበርኩ። ተመሊሰ ድማ በታ ናይ ስንጭሮ ደገ ኣቶኹ፡ ከምዚ ኢለ ተመለስኩ። 16እቶም ሓላቑ ግና ኣነ ዝኸድክዎን ኣነ እንታይ ከም ዝገበርኩን ኣይፈለጡን ነበሩ። ክሳዕ እዛ ግዜ እዚኣ ድማ ንኣይሁድን ንኻህናትን ንኸበርተን ንመሳፍንትን ነቶም ዝተረፉ ዕዮ ዝዓዩ ዝነበሩን ምንም ኣይነገርኩን። 17ሽዑ ኣነ፡ ንሕና ኣብ ከመይ ዝበለ ሓሳረ መከራ ኸም ዘሎና ንስኻትኩም ትርእዩ ኣሎኹም፡ ዮርሳሌም ባዲማ፡ ደጌታታ ኸኣ ብሓዊ ተወዲኤን። እምበኣርሲ ንድሕርዚ መላገጺ ኸይንኸውን፡ ንዑናይ፡ መካበብያ ዮርሳሌም ንስራሕ፡ በልክዎም። 18እታ ኢድ ኣምላኸይ ኣብ ልዕለይ ሕያወይቲ ኸም ዝኾነትን እቲ ንጉስ ዝነገረኒ ዘረባን ነገርክዎም። ንሳቶም ከኣ፡ ንልዓል እሞ ንስራሕ፡ ኢሎም ኣእዳዎም ነቲ ጽቡቕ ስራሕ ኣጽንዕወን። 19ሳንባላጥ እቶ ሖሮናውን ጦብያ እቲ ዓሞናዊ ባርያን ጌሸም እቲ ዓረባውን ምስ ሰምዑ፡ ኣላገጹልና ነዓቑናን እሞ፡ እዚ ንስኻትኩም እትገብሮ ነገር እንታይ እዩ፡ ንስኻትኩምሲ ኻብ ንጉስዶ ኽትዓልዉ ትደልዩ ኣሎኹም ድማ በሉ። 20ሽዑ ኣነ ኸምዚ ኢለ መለስኩሎም፡ ኣምላኽ ሰማይ ከቕንዓልና እዩ እሞ፡ ንሕና ባሮቱ ተንሲእና ኽንዓዪ ኢና። ንስኻትኩም ግና ኣብ ዮርሳሌም ክፍልን ግቡእን መዘከርታን የብልኩምን በልክዎም።
መ. ነህምያ ምዕራፍ 3
1ኤልያሺብ እቲ ሊቀ ኻህናት ከኣ ምስ ኣሕዋቱ ኻህናት ኮይኑ ተንስአ፡ ነቲ ደገ ምስ ኣሕዋቱ ኻህናት ኮይኑ ተንስአ፡ ነቲ ደገ ኣባጊዕ ነደቕዎ ቀደስዎ ኸኣ፡ መዓጹኡውን ኣቑሙሉ። ክሳዕ ግምቢ ሃናንኤል ድማ ቀደስዎ። 2ሰብ ያሪኮ ኸኣ ኣልጊቦም ነደቑ። ዛኩር ወዲ ኢምሪውን ኣልጊቡ ነደቐ። 3ደቂ ሰናኣ ድማ ደገ ዓሳ ነደቑ፡ ልዳት ኣጋጠሙሉ፡ መዓጹኡ ኸኣ ኣቖሙሉ፡ መርሖታቱን መሸጎሪታቱን ድማ ገበሩሉ። 4መሬሞት፡ ወዲ ኡርያ ወዲ ሃቆጽ ከኣ ምሳታቶም ኣልጊቡ ኣዐረየ። መሹላም ወዲ በረክያ፡ ወዲ መሻዛብኤል ድማ ምሳታቶም ኣልጊቡ ኣዐረየ። 5ተቆዓውያን ከኣ ኣልጊቦም ኣዐረዩ። እቶም ክቡራቶም ግና ክሳዶም ናብቲ ዕዮ ጎይትኦም ኣየበሉን። 6ዮያዳ ወዲ ጳሴሓን መሹላም ወዲ ቦሳድያን ከኣ ነቲ ኣረጊት ደገ ኣዐረይዎ፡ ልዳውቲ ኣጋጠሙሉ፡ መዓጹኡ ድማ ኣቖሙሉ፡ መርሖታቱን መሸጎሪታቱን ከኣ ገበሩሉ። 7ምሳታቶም ድማ መላጥያ እቲ ጊብዖናውን ያዶን እቲ መሮኖታውን እቶም ሰብ ጊብዖንን ሚጽጳን ንመንበር መስፍን ክንየው ርባ ዝግዝኡ፡ ኣልጊቦም ጸገኑ። 8ዑዚኤል ወዲ ሓርሃያ፡ ኣንጠረኛታት ወርቂ ኸኣ ምስኡ፡ ኣልጊቦም ጸገኑ። ቡዙኤል ወዲ ሓርሃያ፡ ኣንጠረኛታት ወርቂ ኸኣ ምስኡ፡ ኣልጊቡ ኣዐረየ። ሃናንያ ኻብቶም ገብርቲ ሽቱ ድማ ምስኡ ኣልጊቡ ኣዐረየ። ንዮርሳሌም ክሳዕ እቲ ገፊሕ መካበብያ ትኹን ሓደግዋ። 9ረፋያ ወዲ ሁር፡ ሹም ፍርቂ ግዝኣት ዮርሳሌም ድማ ምሳታቶም ኣልጊቡ ጸገነ። 10የዳያ ወዲ ሓሪማፍ ከኣ ምሳታቶም ኣልጊቡ ኣብ መንጽር ቤቱ ኣዐረየ። ሓጡሽ ወዲ ሓሻብ ኒያ ድማ ምስኡ ኣልጊቡ ኣዐረየ። 11ማልኪያ ወዲ ሓሪምን ሓሹብ ወዲ ጳሓትሞኣብን ካልእ ክፍልን ነቲ ግምቢ እቶንን ኣዐረዩ። 12ሻሎም ወዲ ሃሎሐሽ፡ ሹም ፍርቂ ግዝኣት የሩሳሌም፡ ንሱን ኣዋልዱን ከኣ ምስኡ ኣልጊቦም ኣዐረዩ። 13ሓኑንን ኣብ ዛኖኣሕ ዝነብሩን ንደገ እቲ ለሰ ኣዐረይዎ፡ ንሳቶም ንደቕዎ፡ መዓጺኡ ድድማ ኣቖሙሉ፡ መርሖታቱን መሸጎሪታቱን ከኣ ገበሩሉ። ናይቲ መካባብያ ኸኣ ክሳዕ ደገ እቶ ጎዱፍ ሽሕ እመት ሰርሑ። 14ማልክያ ወሲ ሬካብ፡ ሓላቓ ግዝኣት ቤት ሃካሬም ከኣ ንደገ ጎዱፍ ኣዐረየ። ንሱ ነደቖ መዓጹኡን መርሖታቱን መሸጎሪታቱን ከኣ ገበሩሉ። 15ሻሉን ወዲ ኮልሖዜ፡ ሓለቓ ግዝኣት ሚጽጳ ድማ ንደገ ዔላ ኣዐረዮ፡ ንሱ ነደቖ ኸደኖ ኸኣ፡ ንመዓጹኡን መርሖታቱን መሸጎሪታቱን ከኣ ገበረሉ፡ ድማ መንደቕ እቲ ምስቲ ኣታኽልቲ ንጉስ ዘሎ ሓጽቢ ሽላሕ፡ ክሳዕ እቲ ኻብ ከተማ ዳዊት ዘውርድ መሳልል ሰርሐ። 16ብድሕሪኡ ነህምያ ወዲ ዓዝቡቅ፡ ሓለቓ ፍርቂ ግዝኣት ቤትጹር፡ ክሳዕ መንጽር መቓብራት ዳዊትን ክሳዕ እቲ ብጥበብ እተሰርሐ ሓጽብን ክሳዕ ቤት እቶም ጀጋኑን ኣዐረየ። 17ብድሕሪኡ ሌዋውያን፡ ሬሑም ወዲ ባኒ ኣዐረዮ። ምስኡ ሓሽብያ፡ ሓለቓ ፍርቂ ግዝኣት ቀዒላ፡ ኣብ ክንዲ ግዝኣቱ ኣዐረየ። 18ብድሕሪኡ ኣሕዋቶም፡ ባዋይ ወዲ ሐናዳድ፡ ሓለቓ እታ ኻልአይቲ ፍርቂ ግዝኣት ቀዒላ ኣዐረዩ። 19ዔዘር ወዲ የሹዓ፡ ሓለቓ ሚጽጳ ድማ ምስኡ ኣልጊቡ ሓደ ኻልእ ክፍሊ ኣብ መንጽር እቲ ቤት ኣቕሑ ዘደይብ፡ ኣብቲ መኣዝን ኣዐረዩ። 20ብድሕሪኡ ባሩክ ወዲ ዛባይ ካብቲ መኣዝን ጀሚሩ ኽሳዕ ደገ ቤት ኤልያሺብ እቲ ሊቀ ኻህናት ተጊሁ ኻልእ ክፍሊ ኣዐረየ። 21ብድሕሪኡ መሬሞት ወዲ ኡርያ፡ ወዲ ሃቆጽ፡ ካልእ ክፍሊ ኻብ ደገ ቤት ኤልያሺብ ክሳዕ መወዳእታ ቤት ኤልያሺብ ኣዐረየ። 22ብድሕሪኡ ኸኣ እቶም ካህናት፡ እቶም ናይቲ ጎልጎል ሰባት ኣዐረዩ። 23ብድሕሪኦም ብንያምን ሓሹብን ኣብ መንጽር ቤቶም ኣዐረዩ። ብድሕሪኦም ኣዛርያ፡ ወዲ ማዓሳያ ወዲ ዓንናንያ፡ ኣብ ጥቓ ቤቱ ኣዐረየ። 24ብድሕሪኡ ቢኑኢ ወዲ ሐናዳድ ካልእ ክፍሊ ኻብ ቤት ኣዛርያ ኽሳዕ እቲ መኣዝንን ክሳዕ ካልእ መኣዝንን ኣዐረየ። 25ጳላል ወዲ ኡዛይ ኣብ መንጽር እቲ መኣዝንን እቲ ኻብ ላዕላይ ቤት ንጉስ ውጹእ ዘሎ ግምብን ኣብ ጥቓ መካበብያ ቤት ማእሰርቲ ኣዐረየ። ብድሕሪኡ ጳዳያ ወዲ ጳርዖሽ ኣዐረየ። 26እቶም ነቲኒም ከኣ ኣብ ዖፌል ክሳዕ ኣብ መንጽር ማይ ብወገን ምብራቕን፡ ክሳዕ እቲ ውጹእ ዝነበረ ግምብን ይቕመጡ ነበሩ። 27ብድሕሪኡ እቶም ተቖዓውያን ካልእ ክፍሊ ኣብ መንጽር እቲ ውጹእ ዓብዩ ግምብን ክሳዕ እቲ መንደቕ ዖፌልብ ኣዐረዩ። 28እቶም ካህናት ነፍሲ ወከፎም ነቲ ኣብ ልዕሊ ደገ ኣፍራስ ዘሎ መመንጽር ቤቶም ኣዐረዩ። 29ብድሕሪኦም ጻዶቅ ወዲ ኢመር ኣብ መንጽር ቤቱ ኣዐረየ። ብድሕሪኡ ድማ ሽማዕያ ወዲ ሸካንያ፡ ሓላው ደገ ምብራቕ፡ ኣዐረየ። 30ብድሕሪኡ ሃናንያ ወዲ ሸለምያን ሓኑን ሳዳይ ወጺ ጸላፍን ካልእ ክፍሊ ኣዐረዩ። ብድሕሪኡ መሹላም ወዲ በረክያ ኣብ መንጽር ቤቱ ኣዐረየ። 31ብድሕሪኡ ማልክያ፡ ወዲ እቲ ኣንጠረኛ ወርቂ፡ ክሳዕ ቤት እቶም ነቲኒምን ቤት እቶም ነጋዶን ኣብ መንጽር ደገ ሃሚፍቃድን ክሳዕ እቲ መደየቢ መኣዝን ኣዐረየ። 32ኣንጠረኛታት ወርቅን ነጋዶን ከኣ ነቲ ኣብ መንጎ መደየቢ መኣዝንን ኣብ መንጎ ደገ ኣባጊዕን ዘሎ ኣዐረዩ።
መ. ነህምያ ምዕራፍ 4
1ኮነ ድማ፡ ሳንባላጥ፡ ንሕና ነቲ መካበብያ ኸም ዝነደቕናዮ ምስ ሰምዐ፡ ተቖጥዐን ኣዝዩ ኾረየን እሞ ንኣይሁድ ኣላገጸሎም። 2ኣብ ቅድሚ ኣሕዋቱን ሰራዊት ሰማርያን ከኣ ከምዚ ኢሉ ተዛረበ፡ እዞም ድኹማት ኣይሁድ እንታይ ይገብሩ ኣለው፡ ስቕ ኢልናዶ ንሕደጎም፡ ክስውኡዶ እዮም፡ ብሓደ መዓልቲዶኸ ይውድእዎ፡ ነቲ ብሓዊ ነዲዱ ትሕቲ ኹምራታት ሓመድ ዘሎ ኣእማን የሕውይዎዶ፡ 3ጦብያ እቲ ኣሞናዊ ድማ ኣብ ጥቕኡ ነበረ፡ ንሱ ኸኣ፡ እንተ ዝሰርሕዎ እኳ፡ እቲ በእማን ዝነደቕዎ መካበብያ ሓንቲ ወኻርያ እንተ ደየበቶ፡ ክፈርስ እዩ፡ በለ። 4ዎ ኣምላኽና፡ ስማዕ ተናዒቕና ኢና እሞ፡ ልግጫኦም ናብ ርእሶም ምለሰሎም። ንብዝበዛ ናብ ሃገር ማረኽቲ ኣሕሊፍካ ሃቦም። 5ኣብ ቅድሚ እቶም ነዳቖ ኣኾርዮምኻ እዮም እሞ፡ ክፍኣቶም ከኣ ኣይትሕብኣሎም፡ ሓጢኣቶም ድማ ካብ ቅድሜኻ ኣይትደምስስ። 6እምበኣርሲ ነቲ መካበብያ ነደቕናዮ፡ ክሳዕ ፈረቓ ምብራኹ ኸኣ ብዘሎ እቲ መካበብያ ተላገብ። ልቢ እቲ ህዝቢውን ንዕዮ ጽዒቱ ኣሎ። 7ኮነ ድማ፡ ሳንባላጥን ጦብያን ሰብ ዓረብን ዓሞናውያንን ኣሽዶዳውያንን ምዕራይ መካበብያ ዮርሳሌም ከም ዝሰለጠን፡ እቲ ፍራሳታውን ክዕበስ ከም ዝጀመረን ምስ ሰምዑ፡ ኣዝዮም ተቖጥዑ። 8ኩላቶም ሓደ ኾይኖም መጺኦም ንዮርሳሌም ክወግኡን ከሸብሩን ተማሓሓሉ። 9ሽዑ ኣብ ኣምላኽና ጸሌና፡ ካባታቶም ክሕልውና ኸኣ ብመንጽሮም ለይትን መዓልትን ሓለውቲ ኣቖምና። 10ይሁዳ ድማ፡ ሓይሊ እቶም ተሰከምቲ ደኸመ፡ እቲ መሬት ከኣ ብዙሕ እዩ፡ ስለዚ ንሕና መካበብያ ኽንዓዩ ኣይንኽእልን ኢና፡ በሉ። 11እቶም ጸላኣትና ድማ፡ ኣብ ማእከሎም ክሳዕ እንኣቱ ኣይክፈልጡን ኣይክርእዩን እዮም፡ ሽዑ ክንቀትሎም፡ ነቲ ዕዮውም ከነትርፎ ኢና፡ በሉ። 12ኮነ ኸኣ፡ እቶም ኣብ ጥቓኦም ዝነብሩ ኣይሁድ ምስ መጹ፡ ካብ ኩለን ቦታታት ናባና ተመለሱ፡ ኢሎም ዓሰርተ ሳዕ ተዛረቡና። 13ስለዚ ኣነ ነቲ ህዝቢ ብድሕሪ መካበብያ፡ በቲ ታሕታይ ቦታ ኣብ ቃልዕ ስፍራታት በብዓሌታቶም ኣስያፎምን ኩናውቶምን ቀስትታቶምን ሒዞም ደው ኣበልክዎም። 14ርእየ ድማ ተንሳእኩ፡ ንኸበርተን ንሹማምትን ነቶም ዝተረፉ ህዝብን፡ ኣብ ቅድሚኦም ኣይትፍርሁ፡ ነቲ ዓብይን መፍርህን ጐይታ ዘክሩ፡ ስለ ኣሕዋትኩምን ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን ኣንስትኹምን ኣባይትኹምን ተዋግኡ፡ በልክዎም። 15ኮነ ድማ፡ እቶም ጸላእትና እዚ ነገር እዚ ኸም እተፈለጠና፡ ኣምላኽ ከኣ ንምኽሮም ከንቱ ኸም ዝገበሮ ምስ ሰምዑ፡ ኩላትና ናብቲ መካበብያ፡ ነፍሲ ወከፍ ድማ ነናብ ዕዩኡ ተመለስና። 16ኮነ ኸኣ፡ ካብታ መዓልቲ እቲኣ ጀሚሮም እቶም ሓሻክረይ ፍርቆም ነቲ ዕዮ ይዓዩ ነበሩ፡ ፍርቆም ድማ ኩናውትን ዋላቱን ቀስትታትን ድርዕታትን ሓዙ። እቶም ሓላቑ ኸኣ ብድሕሪ ኹላቶም በኢት ይሁዳ ደው ኢሎም ነበሩ። 17እቶም ኣብ ንመካበብያ ዝነድቁን እቶም ተሰከምትን መሰከምትን ብሓደ ኢዶም ዕዮ ይዓዩ፡ ብሓደ ኢዶም ከኣ ኣጽዋሮም ሒዞም ነበሩ። 18እቶም ነደቕቲ ድማ ነፍሲ ወከፍ ሴፉ ኣብ ሕቖኡ ተዓጢቑ ይነድቕ ነበረ። እቲ መለኸት ዝነፍሕ ከኣ ኣብ ጥቓይ ነበረ። 19ንኽበርተን ንሹማምትን ነቶም ዝተረፉ ህዝብን ድማ፡ እቲ ዕዮ ብዙሕን ገፊሕን እዩ፡ ንሕና ኸኣ ነፍሲ ወከፍ ካብ ሓድሕድና ርሒቕና፡ ኣብ መካበብያ ፋሕ ኢልና ኣሎና፡ 20ደሃይ መለኸት ኣብ እትሰምዑላ ቦታ፡ ናብኣ፡ ናብ ጥቓና ተኣከቡ፡ ኣምላኽና ምእንታና ክዋግኣልና ዕዮ፡ በልክዎም። 21ከምዚ ኢልና ኣብቲ ዕዮ ንዓዮ ነበርና፡ ፍርቆም ድማ ካብ ወጋሕታ ጀሚሮም ክሳዕ ክዋኽብቲ ዝወጹ፡ ኩናውቲ ሓዙ። 22በታ ግዜ እቲኣ ኸኣ ነቶም ህዝቢ፡ ለይቲ ሓለውቲ ክኾኑና መዓልቲ ድማ ክዓዩስ፡ ነፍስ ወከፍ መምስ ጊልያኡ ኣብ ማእከል ዮርሳሌም ይሕደሩ፡ በልክዎም። 23ኣነን ኣሕዋተይን ገላዎይን እቶም ዝሰዓቡኒ ዝሕልው ሰብን፡ ንሕና ኽዳውንትናን ኣየውጻእናን። ነፍሲ ወከፍ ኣጽዋሩ ሒዙ ናብ ማይ ከደ።
መ. ነህምያ ምዕራፍ 5
1እቶም ህዝብን ኣንስቶምን ከኣ፡ ኣብቶም ኣሕዋቶም ኣይሁድ ብርቱዕ ጭራሕ ምራሕ ገበሩ። 2ገሊኦም፡ ንሕናን ኣወዳትናን ኣዋልድናን ብዙሓት ኢና፡ ኣምበኣርሲ ኽንበልዕ እሞ ክንድሕን እኽሊ ሃቡና፡ ዝብሉ ነበሩ። 3ገሊኦም ድማ፡ ጠሚና፡ እኽሊ ኽንዕድግሲ ግራሁናን ኣታኽልቲ ወይንናን ኣትሒዝናስ፡ ይብሉ ነበሩ። 4ገሊኦም ከኣ፡ ግራሁናን ኣታኽልቲ ወይንናን ኣትሒዝናስ፡ ንግብሪ ንጉስ ገንዘብ ተለቂሕና፡ 5ሕጂ ድማ ከምቲ ስጋ ኣሕዋትና ስጋናውን ከምኡ ኢዩ። ደቅና ድማ ከን ደቆም። ንሕና፡ እንሆ፡ ኣወዳትናን ኣዋልድናን ንባርነት ኣሕሊፍና ንህብ ኣሎና፡ ግናኸ ግራሁናን ኣታኽልቲ ወይንናን ቀደም ኣብ ኢድ ካልኦት ሓሊፉ እዩ እሞ፡ ገለ ኽንገብር ኣይከኣለን፡ በሉ። 6ኣነ ኸኣ ጭራሕ ምራሖምን እዚ ዘረባ እዝን ምስ ሰማዕኩ፡ ኣዝየ ተቐጣዕኩ። 7ብልበይ መኺረ ድማ፡ ነቶም ከበርተን ሓላቑን፡ ከመይ ኢልኩም ነፍሲ ወከፍ ነንሓው ብሓረጣ ተለቅሑ ኣለኹም፡ ኢለ ዘለፍክዎም። ናብ ልዕሊኦም ዓብዩ ኣኼባ ኣኪበ ኸኣ፡ 8ንሕናስ ነቶም ናብ ኣህዛብ ተሸይጦም ዝነበሩ ኣይሁድ ኣሕዋትና፡ ከም ዓቕምና ተበጆናዮም። ንስኻኩምከ ኣሕዋትኩምዶ ባዕላትኩም ክትሸጡ ኢኹም፡ ንሳቶምሲ ነፍሶምዶ ኽሸጡልና እዮም፡ በልክዎም። ሽዑ ዘረባ ስኢኖም ስቕ በሉ። 9ኣነ ኸኣ፡ እዚ እትገብርዎም ዘሎኹም ነገርስ ጽቡቕ ኣይኮነን። እቶም ጸላእትና ኣሕዛብ ከይትጸርፉስ፡ ከምይ ብፍርሃት ኣምላኽና ዘይትኸዱ፡ 10ኣነን ኣሕዋተይን ገላዎይ ድማ ገንዘብን እኽልን ብሓረጣ ኣለቂሕናዮም ኣሎና፡ ግናኸ፡ በጃኻትኩም፡ እዚ ሓረጣ እዚ ንሕደገሎም። 11ግራሁኦምን ኣታኽልቲ ወይኖምን ኣዋልዖምን ኣባይቶምን ምለሱሎም፡ ናይ እቲ ንስኻትኩም ካባታቶም ብሓረጣ ዝወሰድኩዎም ገንዘብን እኽልን ወይንን ዘይትን ከኣ፡ በጃኻትኩም፡ ሎሚ መበል ሚእቲ ምለሰሎም፡ በልክዎም። 12ንሳቶም ከኣ፡ ንመልስ፡ ካባታቶም ድማ ገለ እኳ ኣይንደልን፡ ከምቲ ንስኻ ዝበልካዮ ኸምኡ ንገብር፡ በሉ። ሽዑ ነቶም ካህናት ጸዊዔ ኸም እዘን እተዛረብወን ቃላት ክገብሩ ኣምሓልክዎም። 13ኣነ ድማ፡ ነዚ ተስፋ እዚ ዘይፍጸም ኩሉ ሰብሲ ኣምላኽ ካብ ቤቱን ካብ ገንዘቡን ከምኡ ይንገፎ፡ እወ፡ ከምኡ ንጉፍን ጥራዩን ይኹን፡ ኢለ ኣብ ጎድነይ ዝነበረ ባርኖስ ነገፍኩ። ኩሉ እቲ ኣኼባ ኸኣ፡ ኣሜን፡ በለ። ንእግዚኣብሄር ድማ ኣመስገኑ። እዚ ህዝቢ ኸኣ ከም እዚ ዘረባ እዚ ገበረ። 14ድማ ካብታ ኣብ ሃገር ይሁዳ ሹሞም ክኽውን እተኣዘዝኩላ መዓልቲ፡ ንንጉስ ኣርታሕሻስታ ኻብ መበል ዕስራ ዓመቱ ኽሳዕ መበል ሰላሳን ክልተን ዓመቱ፡ ዓሰርተው ክልተ ዓመት፡ ኣነን ኣሕዋተይን እቲ ንሹማምቲ ዝግባእ እንጊራ ኣይበላዕናን። 15እቶም ቅድመይ ዝነበሩ ሹማምቲ ነቲ ህዝቢ የኽብዱሉ ነበሩ። ካባታቶም እንጌራን ወይንን ደሓር ከኣ ኣርብዓ ሚትቃል ብሩር ይወስዱ ነብሩ። እቶም ገላውኦም ድማ ኣብ ልዕሊ እቲ ህዝቢ ሰልጢኖም ነበሩ። ኣነ ግና፡ ንእግዚኣብሄር ስለ ዝፈራህኩ፡ ከምኡ ኣይገበርኩን። 16ኣብቲ ዕዮ እቲ መካበብያ ኸኣ አዐሪ ነበርኩ። ግራትውን ኣይተሻየጥናን እሞ ኩሎም እቶም ገላዎይ ድማ ኣብኡ ኣብቲ ዕዮ ተኣኪቦም ነበሩ። 17ብዘይ እቶም ካብቲ ኸባቢና ዝመጹና ኣህዛብ፡ ካብ ኣይሁድን ሓላቑን ሚእትን ሓምሳን ሰብ ኣብ መኣሰይ ይምገቡ ነበሩ። 18ንሓንቲ መዓልቲ ዝዳሎ ድማ ሓደ ብዕራይን ሹድሽተ ስቡሓት ኣባጊዕን እዩ፡ ንኣይ ከኣ ካብ ኣዕዋፍ ይዳለውለይ ነበረ፡ በብዓሰርተ መዓልቲ ድማ ኣዝዩ ብዙሕ ወይኒ ነበረ። ምስናይ እዚ ግና ነዚ ህዝቢ እዚ እቲ ዕዮ ኽቢድዎ ነበረ እሞ፡ እቲ ንሽመተይ እተገብኣኒ ምግቢ እኳ ሃቡኒ ኣይበልኩን። 19ዎ ኣምላኸይ፡ እዚ ኹሉ ነዚ ህዝቢ እዚ ዝገበርክዎ፡ ንጽቡቕ ሕሰበለይ።
መ. ነህምያ ምዕራፍ 6
1ኮነ ኸኣ፡ ሳንባላጥን ጦብያን ገሽም እቲ ዓረባውን እቶም ዝተረፉ ጸላእትናን ነቲ መካበብያ ኸም ዝነደቕክዎ፡ ካብቲ ፍሩስ ዝነበረ ኸኣ ገለ ኸም ዘይተረፈ ምስ ሰምዑ፡ ክሳዕ እታ ግዜ እቲኣ ግና መዓጹ ኣብቲ ደጊታት ኣይተኸልኩን ነበርኩ። 2ሳንባላጥን ገሸምን ከኣ፡ ንሳቶም ክፉእ ክገብሩኒ ሓሲቦም ነበሩ እሞ፡ ንዓ፡ ኣብ ጎልጎል ኦኖ ኣብ ዘለዋ ዓድታት ንራኸብ፡ ኢሎም ለኣኹለይ። 3ኣነ ድማ፡ ኣነስ ዓብዩ ዕዩ እዓዩ ኣለኹ እሞ ክወርድ ኣይከኣለንን፡ ሰልምንታይ፡ ነቲ ዕዮ ሓዲገ ናባኻትኩም እንተ ወረድኩ፡ ንሱ ኽበኩር እዩ፡ ኢለ ለኣኽኩሎም። 4እዚ ነገር እዚ ድማ ኣርባዕተ ሳዕ ለኣኹለይ። ኣነ ኸኣ ንኣታቶም ከምዛ ዘረባ እዚኣ ገይረ መለስኩሎም። 5ሽዑ ሳንባላጥ ከምዛ ነገር እዚኣ ኽፍትቲ ደብዳበ ኣብ ኢዱ ኣትሒዙ፡ ሓምሳይ ግዜ ጊልያኡ ለኣኸለይ። 6ኣብኣ ኸምዚ ዝብል እተጻሕፈ ነበረ፡ ንስኻን ኣይሁድን ክትሽፍቱ ትሓስቡ ኸም ዘለኹም፡ እዚ ዘረባ እዚ ኣብ ኣህዛብ ተሰሚዑ ኣሎ፡ ጋሽሙ ኸኣ ይብሎ ኣሎ። ምእንቲ እዚ ድማ መከባብያ ከም ዝደሌኻውን፡ ይብሃል ኣሎ። 7ድማ ኣብ ዮርሳሌም ብዛዕባኻ፡ ኣብ ይሁዳ ንጉስ ኣሎ፡ ኢሎም ዝእውጁ ነብያት ኣቕምካ። ሕጂ ድማ እዚ ነገር እዚ ኣብ ንጉስ ክስማዕ እዩ እሞ፡ ሕጂ ንዓ፡ ብሓንሳእ ዃንና ንማኻኸር። 8ሽዑ ኣነ፡ ካብ ልብኻ ዘንቃሕካዮ እዩ እምበር፡ እዚ ንገር እዚ ኸምዚ ንስኻ እትዛረቦ ኣይኮነን፡ ኢለ ለኣኽኩሉ። 9ከመይሲ እቲ ዕዮ ከይዕየ ኣእዳዎም ክደኽማ እየን እሞ፡ ነቲ ዕዮ ኽሓድግዎ እዮም፡ እናበሉ ኹላቶም ከስምብዱና ደልዮም እዮም። ሕጂ ኸኣ፡ ዎ ኣምላኽ፡ ንስኻ ኣእዳወይ ኣጽንዕ። 10ኣነ ኸኣ ናብ ቤት ሻማዕያ፡ ወዲ ደለያ ወዲ መሄጣብኤ፡ ኣቶኹ። ንሱ ድማ ተዓጽዩ ነበረ እሞ፡ ናብ ቤት ኣምላኽ ናብ ውሽጢ መቕደስ ብሓደ ንራኸብ፡ ክቐትሉኻ ኽመጹ እዮም፡ እወ፡ ብለይቲ ክቐትሉኻ ኽመጹ እዮም እሞ፡ ደገ ቤት መቕደስ ንዕጸዎ፡ በለኒ። 11ኣነ ኸኣ ከማይ ዝበለ ሰብኣይዶ ይሃድም፡ ከማይ ዝበለስ ምእንቲ ኽድሕን ኢሉ፡ ናብ መቕደስ ዝኣቱ መን እዩ፡ ኣነስ ኣይኣቱን፡ በልኩ። 12-13ጦብያን ሳንባላጥን ደኣ ንሱ ኸፍርሃኒ እሞ ፈርሄ ሓጢኣት ክገብርን፡ ንኣይ ክፉእ ከውርዩለይን ከላግጹለይን ኢሎም ዋጋ ሂቦምዎ፡ ብገንዘብ ሓቢሎምዎ፡ ይንበየለይ ኣሎ እምበር፡ ኣምላኽ ከም ዘይለኣኾ ኣስተውዓልኩ። 14ዎ ኣምላኸይ፡ ንጦብያን ንሳንባላጥን ንኖኣድያ ነብዩትን ነቶም ዝተረፉ ዘፋራርሁኒ ነብያትን ብዛዕባ እዚ ግብሮም እዚ ዘክሮም። 15እቲ መካባብያ ኻብ ወርሒ ኤሉል ብመበል ዕስራን ሓሙሽተን መዓልቲ፡ ብሓምሳን ክልተን መዓልቲ፡ ተፈጸመ። 16ኮነ ኸኣ፡ ኩሎም ጸላእትና ምስ ሰምዕዎ፡ ኣብ ዙርያና ዝነብሩ ኹሎም ህዝብታት ፈርሁ፡ እዚ ዕዮ እዚ ብሓገዝ ኣምላኽና ኸም እተፈጸመ ፈለጡ እሞ፡ ኣብ ኣዒንቶም ሕሊናኦም ዓረቦም። 17በተን መዓልትታት እቲኤን እቶም ከበርተ ይሁዳ ብዙሕ ደብዳቤታት ናብ ጦብያ ሰደዱ፡ ካብ ጦብያ ድማ ናባታቶም ይመጽእ ነበረ። 18ከመይሲ ጦብያ ምስ ሸካንያ ወዲ ኣራህ ሕምነት ነበሮ፡ ዮሓናን ወዱ ኸኣ ጓል መሹላም ወዲ በራክያ ኣእትዩ ነበረ እሞ፡ ካብ ሰብ ይሁዳ ብዙሓት ምስኡ ኾይኖም ተማሓሒሎም ነበሩ።ብሕያውነቱ ኣብ ቅድመይ ይንእድዎ ነበሩ፡ ዘረባይ ከኣ ይነግርዎ ነበሩ። ጦብያ ድማ ከፈራርሃኒ ኢሉ፡ ደብዳቤታት ሰደደ።
መ. ነህምያ ምዕራፍ 7
1ኮነ ኸኣ፡ እቲ መከባብያ ምስ ተነድቀ፡ መዓጹ ኣቖምኩሉ፡ ሓለውቲ ደገን ዘመርትን ሌዋውያንን ድማ ኣብ ዐዕዮኦም ተመዘዙ። 2ንሃናኒ ሓወይን ንሃናንያ እቲ ኣብ ግምቢ ሓለቓ ዝነበረን፡ ንሱ ኻብ ካልኦት ሰባት ዝበለጸ እሙንን ፈራህ ኣምላኽን ነበረ እሞ፡ ኣሕሉቕ ዮርሳሌም ገበርክዎም። 3ንኣታቶም ድማ፡ ጸሓይ ክሳዕ ዝመሙቕ፡ ደጌታት ዮርሳሌም ኣይርሖ፡ እቲ ደጌታት ከኣ ገና እቶም ሓለውቲ ደው ኢሎም ከለው፡ ክዕጾን ክሽጎርን፡ ነቶም ህዝቢ ዮርሳሌም ድማ ነፍሲ ወከፍ በብታራኡ፡ ነፍሲ ወከፍ ከኣ ቀቅድሚ ቤቱ ይሓሉ። በልክዎም። 4እታ ኸተማ ኸኣ ገፋሕን ዓባይን ነበረት። እቶም ኣብ ማእከላ ዝነብሩ ዝህዝቢ ግና ሒዶት ነበሩ፡ እተን ኣባይቲ ድማ ኣይተሰርሓን ነበራ። 5ነቶም ከበርተን ንሹማምትን ንህዝብን ኣብ መጽሓፍ ወለዶ ኽጸሓፉ፡ ክእክቦም ድማ፡ ኣምላኸይ ኣብ ልበይ ሃበኒ። ናይቶም ቅድም ዝደየቡ ኸኣ እቲ መጽሓፍ ወለዶታት ረኸብክዎ። ኣብኡ ኸኣ ከምዚ ዝብል ጽሑፍ ረኸብኩ። 6እቶም ደቂ ሃገር ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ማሪኽዎም ዝነበረ እሞ፡ ካብ ምርኮ ደይቦም ናብ ዮሩሳሌምን ናብ ይሁዳን፡ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ከተማኡ እተመልሱ፡ እዚኣቶም እዮም፡ 7እቶም ምስ ዙሩባቤል ዝመጹ፡ እያሱ፡ ነህምያ፡ ዓዛርያ፡ ራዓምያ፡ ናሓማኒ፡ ሞርዶካይ፡ ቢልሻን፡ ሚስጵረት፡ ቢግዋይ፡ ነሑም፡ ባዓና። ቁጽሪ ሰብ ህዝቢ እስራኤል እዚ እዩ፡ 8ደቂ ፋርዖሽ ክልተ ሽሕን ሚእትን ሰብዓን ክልተን። 9ደቂ ሸፋጥያ ሰለስተ ሚእትን ሰብዓን ክልተን። 10ደቂ ኣራሕ ሹዱሽተ ሚእትን ሓምሳን ክልተ። 11ደቂ ፋሓት-ሞኣብ ካብ ደቂ እያሱን ዮኣብን ክልተ ሽሕን ሾሞንተ ሚእትን ዓሰርተው ሾሞንተን። 12ደቂ ዔላም ሽሕን ክልተ ሚእትን ሓምሳን ኣርባዕተን። 13ደቂ ዛቱ ሾሞንተ ሚእትን ኣርብዓን ሓሙሽተን። 14ደቂ ዛካይ ሾብዓተ ሚእትን ስሳን። 15ደቂ ቢኑኢ ሹድሽተ ሚእትን ኣርብዓን ሾሞንተን። 16ደቂ ቤባይ ሹድሽተ ሚእትን ዕስራን ሾሞንተን። 17ደቂ ዓዝጋድ ክልተ ሽሕን ሰለስተ ሚእትን ዕስራን ክልተን። 18ደቂ ኣዶኒቃም ሹድሽተ ሚእትን ስሳን ሾብዓተን። 19ደቂ ቢግዋይ ክልተ ሽሕን ስሳን ሾብዓተን። 20ደቂ ዓዲን ሹድሽተ ሚእትን ሓምሳን ሓሙሽተን። 21ደቂ ኣጤር፡ ካብ ዓሌት ህዝቅያስ፡ ተስዓን ሾሞንተን። 22ደቂ ሓሹም ሰለስተ ሚእትን ዕስራን ሾሞንተ። 23ደቂ ቤጻይ ሰለስተ ሚእትን ዕስራን ኣርባዕተን። 24ደቂ ሓሪፍ ሚእትን ዓሰርተው ክልተን። 25ደቂ ጊብዖን ተስዓን ሓሙሽተን። 26ሰብ ቤት-ልሄምን ነጦፋን ሚእትን ሰማንያን ሾሞንተን። 27ሰብ ዓናቶት ሚእትን ዕስራን ሾሞንተን። 28ሰብ ቤትዓዝማዌት ኣርብዓን ክልተን። 29ሰብ ቂርያት-ይዓሪምን ከፊራን ብኤሮትን ሾብዓተ ሚእትን ኣርብዓን ሰለስተን። 30ሰብ ራማህን ጌባዕን ሹድሽተ ሚእትን ዕስራን ሓደን። 31ሰብ ሚኽማሽ ሚእትን ዕስራን ክልተን። 32ሰብ ቤትኤልን ዓይን ሚእትን ዕስራን ሰለሰተን። 33ደቂ ኻልአይቲ ኔቦ ሓምሳን ክልተን። 34ደቂ ኻልኣይቲ ዔላም ሽሕን ክልተ ሚእትን ሓምሳን ኣርባዕተን። 35ደቂ ሓሪም ሰለስተ ሚእትን ዕስራን። 36ደቂ ያሪኮ ሰለስተ ሚእትን ኣርብዓን ሓሙሽተን። 37ደቂ ሎድን ሓዲድን ኣኖን ሾብዓተ ሚእትን ዕስራን ሓደን። 38ደቂ ሰናእህ ሰለስተ ሽሕን ትሽዓተ ሚእትን ሰላሳን። 39ካህናት ድማ፡ ደቂ የዳዕያ ኻብ ቤት እያሱ ትሽዓተ ሚእትን ሰብዓን ሰለስተን። 40ደቂ ኢመር ሽሕን ሓምሳን ክልተን። 41ደቂ ፈሽሑር ሽሕን ክልተ ሚእትን ኣርብዓን ሾብዓተን። 42ደቂ ሓሪም ሽሕን ዓሰርተው ሾብዓተን። 43ሌዋውያን፡ ደቂ እያሱ፡ ካብ ቃድሚኤል፡ ካብ ደቂ ሆዴዋ፡ ሰብዓን ኣርባዕተን። 44ዘመርቲ፡ ደቂ ኣሳፍ ሚእትን ኣርብዓን ሾሞንተን። 45ሓለውቲ ደገ፡ ደቂ ሻሎም፡ ደቂ ኣጤር፡ ደኢቅ ጣልሞን፡ ደቂ ዓቁብ፡ ደቂ ሓጢጣ፡ ደቂ ሾባይ ሚእትን ሰላሳን ሾሞንተን። 46ነቲኒም፡ ደቂ ጺሓ፡ ደቂ ሓሱፋ፡ ደቂ ጣባዖት፡ 47ደቂ ቂሮስ፡ ደቂ ሲዓ፡ ደቂ ፋዶን፡ 48ደቂ ሊባና፡ ደቂ ሓጋባ፡ ደቂ ሻልማይ፡ 49ደቂ ሓናን፡ ደቂ ጊደል፡ ደቂ ጋሓር፡ 50ደቂ ረአያ፡ ደቂ ረጺን፡ ደቂ ነቆዳ፡ 51ደቂ ጋዛም፡ ደቂ ዑዛ፡ ደቂ ፋሴሓ፡ 52ደቂ ቤሳይ፡ ደቂ መዑኒም፡ ደቂ ነፊሽሲም፡ 53ደቂ ባቅቡቅ፡ ደቂ ሓቁፋ፡ ደቂ ሓርሑር፡ 54ደቂ ባጽሊት፡ ደቂ መሒዳ፡ ደቂ ሓርሻ፡ 55ድቂ ባርቆስ፡ ደቂ ሲሰራ፡ ደቂ ታማሕ፡ 56ደቂ ነጺሓ፡ ደቂ ሓጢፋ፡ 57ደቂ ገላው ሰሎሙን፡ ደቂ ሰጣይ፡ ደቂ ሶፌሬት፡ ደቂ ጰሪዳ፡ 58ደቂ ያዓላ፡ ደቂ ዳርቆን፡ ደቂ ጊደል፡ 59ደቂ ሽፋጥያ፡ ደቂ ሓጢል፡ ደቂ ፎክሬት-ሓጸባይም፡ ደቂ ኣሞን። 60ኩላቶም ነቲኒምን ደቂ ገላው ሰሎሞንን ሰለስተ ሚእትን ተስዓን ክልተን እዮም። 61እቶም ካብ ቴል-መላሕን ካብ ቴል-ሓርሻን ካብ ክሩብ-ኣዶንን ካብ ኢመርን ዝደየቡ ድማ እዚኣቶም እዮም። ግናኸ ንሳቶም ማይ ቤት ኣቦታቶምን ዘርኦምን ካብ እስራኤል ምዃኖም ከፍልጡ ኣይከኣሉን፡ 62ደቂ ደለያ፡ ደቂ ጦብያ፡ ደቂ ነቆዳ፡ ሽዱሽተ ሚእትን ኣርብዓን ክልተን። 63ካብ ካህናት ከኣ፡ ደቂ ሓባያ፡ ደቂ ሃቆጽ፡ ደቂ ባርዚለይ፡ እቲ ኻብ ኣዋልድ ባርዚለይ ጊልዓዳዊ ሰበይቲ ዝወሰደ እሞ ብስሞም እተሰምየ እዩ፡ 64እዚኣቶም መጽሓፍ ወለዶኦም ደለዩ፡ ግናኸ ኣይተረኽበን፡ ስለዚ ኻብ ክህነት ተኸልከሉ። 65እቲ ቲርሻታ ከኣ ብኡሪምን ቱሚምን ካህን ክሳዕ ዝሽየም፡ ካብ ቅድስተ ቅዱሳን ኣይትብልዑ፡ በሎም። 66ኩሉ እቲ ማሕበር ብእኩቡ ኣርብዓን ክልተን ሽሕን ሰለስተ ሚእትን ስሳን ነበረ። 67ብዘይ ገላውኦምን ኣግራዶምን፡ እዚኣቶም ሾብዓተ ሽሕን ስለስተ ሚእትን ሰላሳን ሾብዓተን እዮም። ዝዝምሩን ዝዝምራን ድማ ክልተ ሚእትን ኣርብዓን ሓሙሽተን ነበርዎም። 68ኣፍራሶም ሾብዓተ ሚእትን ሰላሳን ሹዱሽተን፡ ኣባቕሎም ክልተ ሚእትን ኣርብዓን ሓሙሽተን፡ 69ኣግማል ኣርባዕተ ሚእትን ሰላሳን ሓሙሽተን፡ ኣእዱግ ሽዱሽተ ሽሕን ሾብዓተ ሚእትን ዕስራን ነበርዎም። 70ገለ ኻብቶም ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታት ነቲ ዕዮ ህያብ ሃቡ። እቲ ቲርሻታ ነቲ መዝገብ ሽሕ ዳሪክ ወርቂ፡ ሓምሳ ጽዋእ፡ ሓሙሽተ ሚእትን ሰላሳን ክዳን ካህናት ሃበ። 71ገለ ኻብቶም ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታት ድማ ንመዝገብ እቲ ዕዮ ዕስራ ሽሕ ዳሪክ ወርቅን ክልተ ሽሕን ታለንት ብሩርን ሃቡ። 72እቶም ዝተረፉ ህዝቢ ዝወፈይዎ ኸኣ ዕስራ ሽሕን ዳሪክ ወርቅን ክልተ ሽሕ ታለንት ብሩርን ስሳን ሾብዓተን ክዳን ካህናትን እዩ። 73ካህናትን ሌዋውያንን ሓለውቲ ደጌታትን ዘመርትን ገሊኡ ህዝብን ነቲኒምን ኩላቶም እስራኤልን ኣብ ከተማታቶም ተቐመጡ። እታ ሳብዐይቲ ወርሒ ምስ በጽሐት ድማ፡ ደቂ እስራኤል ኣብ ከከተማኦም ነበሩ።
መ. ነህምያ ምዕራፍ 8
1እቶም ህዝቢ ኹላቶም ከኣ ከም ሓደ ሰብ ኮይኖም፡ ኣብ ቅድሚ ደገ ማይ ኣብ ዘላ ገፋሕ ቦታ ተኣከቡ። ንእዝራ እቲ ጸሓፊ ድማ እቲ እግዚኣብሄር ንእስራኤል ዝኣዘዞ መጽሓፍ ሕጊ ሙሴ ኸምጽእሎም ተዛረብዎ። 2ብሳብዐይቲ ወርሒ፡ ብቐዳመይቲ መዓልቲ ኸኣ እዝራ እቲ ኻህን ናብ ቅድሚ እታ ማሕበር ሰብኡትን ኣንስትን ክሰምዑ ምስትውዓል ዘለዎም ኩላቶምን ነቲ ሕጊ ኣምጽኦ።
3ካብ ዝበርህ ጀሚሩ ኸኣ ክሳዕ ፍርቂ መዓልቲ፡ ኣብ ቅድሚ እታ ኣብ ቅድሚ ደገ ማይ ዘላ ገፋሕ ቦታ ኾይኑ፡ ኣብ ቅድሚ ሰብኡትን ኣንስትን ከስተውዕሉ ዝኽእሉ ኹላቶምን ኮይኑ ኣንበቦ። ኣእዛን ኩሉ እቲ ህዝቢ ድማ ንመጽሓፍ ሕጊ ኽሰምዕ ጽን ይብል ነበረ። 4እዝራ እቲ ጸሓፊ ኸኣ ኣብ ልዕሊ እቲ ነዚ ነገር እተሰርሐ ጸፍጻፍ ዕጨይቲ ደው ኢሉ ነበረ። ኣብ ጥቓኡ ብየማኑ ድማ ማቲትየን ሸማዕን ዓናያን ኡርያን ሒልቂያን ማዓሰያን፡ ኣብ ጸጋሙ ኸኣ ጰዳያን ሚሻኤልን ማልኪያን ሓሹምን ሓሽባዳናን ዘካርያን መሹላምን ደው ኢሎም ነበሩ። 5እዝራ ድማ ኣብ ልዕሊ ኹሉ ህዝቢ ኾይኑ ነበረ እሞ፡ ኣብ ቅድሚ ኹሉ እቲ ህዝቢ ነቲ መጽሓፍ ገንጸሎ። ምስ ገንጸሎ ኸኣ፡ ኩሉ እቲ ህዝቢ ደው በለ። 6እዝራ ድማ ንእግዚኣብሄር፡ ነቲ ዓብዩ ኣምላኽ ባረኾ። ኩሎም ህዝቢ ኸኣ ኣእዳዎም ኣልዒሎም፡ ኣሜን፡ ኣሜን፡ ኢሎም መለሱ። ተጎንቢሶም ድማ ብገጾም ኣብ ምድሪ ተደፊኦም ንእግዚኣብሄር ሰገዱሉ። 7ድማ እያሱን ባኒን ሸረብያን ያሚን፡ ዓቁብ፡ ሻብታይ፡ ሖዲያ፡ ማዓሰያ፡ ቀሊጣ፡ ዓዛርያ፡ ዮዛባድ፡ ሓናን፡ ጵላያ፡ ሌዋውያን ነቲ ህዝቢ ሕጊ ይምህርዎ ነበሩ። እቶም ህዝቢ ድማ ኣብ ቦታኦም ደው ኢሎም ነበሩ። 8ነቲ መጽሓፍ ሕጊ ኣምላኽ ብግልጺ ኣንበበሎም፡ እቶም ህዝቢ ነቲ እተነበ ምእንቲ ኸስተውዕልዎ ድማ፡ ገለጹሎም።
9ኩሎም እቶም ህዝቢ ቓል ሕጊ ኽሰምዑ ኸለው። ይበኽዩ ነበሩ እሞ፡ ነህምያ እቲ ትርሻታን እዝራ እቲ ኻህንን ጸሓፍን፡ እቶም ህዝቢ ዘስተምህሩ ዝነበሩ ሌዋውያንን ንኹሉ እቲ ህዝቢ፡ እዛ መዓልቲ እዚኣ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ተቐዲሳ እያ እሞ፡ ኣይትሕዘኑን ኣይትብከዩን በልዎም። 10ንሱ ኸኣ ኪዱ ዝሰብሐ ብልዑ፡ ዝጠዓመ ድማ ስተዩ፡ ነቶም ዘብሎም ከኣ ግዲኦም ስደድሎም። እዛ መዓልቲ እዚኣ ንጐይታና እተቐደሰት እያ እሞ፡ ሓጎስ እግዚኣብሄር ሓይልኹም እዩ እሞ፡ ኣይትጉሃዩ፡ በሎም። 11እቶም ሌዋውያን ከኣ ንኹሎም እቶም ህዝቢ፡ እዛ መዓልቲ እዚኣ ቅድስቲ እያ እሞ፡ ስቕ በሉ፡ ኣይትጉሃዩ፡ ኢሎም ኣህድእዎም። 12ኩሎም እቶም ህዝቢ ድማ ዝነገርዎም ቃል ኣስተውዒሎም እዮም እሞ፡ ክበልዑን ክሰትዩን ግደታት ከኣ ክሰዱን ዓብዩ ሓጎስን ክሕጎሱ ኸዱ።
13እታ ኻልአይቲ መዓልቲ ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታት ናይቲ ኹሉ ህዝብን ካህናትን ሌዋውያንን ቃላት እቲ ሕጊ ኽምርምሩ ናብ እዝራ ጸሓፊ ተኣከቡ። 14-15ብበዓል እታ ሳብዐይቲ ወርሒ ኸኣ ደቂ እስራኤል ኣብ ዳስ ክቕመጡ፡ ናብ ኩለን ከተማታቶምን ናብ ዮሩሳሌምን ከኣ፡ ናብ ከረን ውጹ እሞ፡ ከምቲ ጽሑፍ ዝበሎ፡ ንምስራሕ ዳስ ጨናፍር ኣውልዕ ዘይትን ፀናፍር ኦም ኣውልዕ መሮርን ጨናፍር ጸጾን ጨናፍር ስየን ጨናፍር ደስዳስ ኣእዋምን ኣምጽኡ ኢሎም ከስምዑን ከኣውጁን፡ እግዚእብሄር ብሙሴ ኸም ዝኣዘዞም፡ ኣብቲ ሕጊ ተጽሒፉ ረኸቡ። 16ሽዑ እቶም ህዝቢ መጺኦም ኣምጽኡ፡ ነፍስ ወከፍ ኣብ ለልዕሊ ናሕሱን ኣብ መካበብያቶምን ኣብ ኣጸዳት ቤት ኣምላኽን ኣብታ ገፋሕ ቦታ ደገ ማይን ኣብታ ገፋሕ ቦታ ደገ ኤፍሬምን ዳስ ሰርሑ። 17ብዘላ እታ ማሕበር ናይቶም ካብ ምርኮ እተመልሱ ኹላቶም ከኣ ዳስ ሰሪሖም፡ ኣብ ዳስ ተቐመጡ። ደቂ እስራኤልሲ ካብ ዘመን እያሱ ወዲ ነዌ ጀኢሮም ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ኸምኡ ኣይገበሩን እሞ፡ ኣዝዩ ዓብዩ ሓጎስ ኮነ።
18ካብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ጀሚሩ ኽሳዕ እታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ድማ መመዓልቲ ነቲ መጽሓፍ ሕጊ ኣምላኽ ኣንበቦ። ሾብዓተ መዓልቲ በዓል ኣብዓሉ፡ በታ ሳምነይቲ መዓልቲ ድማ ከምቲ ሕጊ ቅዱስ ኣኼባ ኾነ።
መ. ነህምያ ምዕራፍ 9
1ኣብዛ ወርሒ እዚኣ ኣብ መበል ዕስራን ኣርባዕተን መዓልቲ፡ ደቂ እስራኤል ከሊ ተኸዲኖም፡ ሓምድ ኣብ ርእሶም ነስኒሶም ብጾም ተኣከቡ። 2ዘርኢ እስራኤል ካብ ኩሎም ደቂ ጓኖት ተፈልዩ። ደው ኢሎም ከኣ ብሓጢኣቶምን ብበደል ኣቦታቶምን ተናዘዙ። 3ኣብታ ስፍራኦም ኮይኖም ደው ኢሎም፡ ራብዓይ ክፍሊ መዓልቲ መጽሓፍ ሕጊ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣንበቡ፡ ራብዓይ ክፍሊ መዓልቲ ድማ ተናዘዙ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኾም ከኣ ሰገዱሉ። 4እያሱ፡ ባኒ፡ ቃድሚኤል፡ ሸባንያ፡ ቡኒ፡ ሸረብያ፡ ባኒ፡ ከናኒ ኾይኖም ከኣ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ጸፍጸፍ ሌዋውያን ደው በሉ፡ ብብርቱዕ ቃል ድማ ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኾም ጨርሑ። 5እቶም ሌዋውያን ከኣ፡ እያሱ፡ ቃድሚኤል፡ ባኒ፡ ሓሻብንያ፡ ሸረብያ፡ ሆዲያ፡ ሸባንያ፡ ፈታሕያ ኾይኖም፡ ከምዚ በሉ፡ ተንሲኡ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ካብ ዘለኣለም ክሳዕ ዘለኣለም ባርኹ። እቲ ኣብ ልዕሊ ኹሉ በረኸትን ምስጋናን ክብ ዝበለ ኽቡር ስምካ ይባረኽ። 6ንስኻ፡ እወ ንስኻ በይንኻ ኢኣ እግዚኣብሄር ሰማይን ሰማየ ሰማያትን ኩሉ ሰራዊቱን፡ ምድርን ኣብ ልዕሊኣ ዘሎ ኹሉን፡ ባሕርን ኣብኡ ዘሎ ኹሉን ፈጠርካዮ፡ ነዚ ኹሉ ብህይወት እተንብሮ ኸኣ ንስኻ ኢኻ። ሰራዊት ሰማይ ድማ ይሰግዱልካ። 7ኣታ ንኣብራም ዝሓሬኻ፡ ካብ ኡር ሃገር ከለዳውያን ኣውጺእካ፡ ስሙ ድማ ኣብርሃም ዝሰሜኻዮ፡ ንስኻ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኢኻ። 8ልቡውን ኣብ ቅድሜኻ እሙን ኮይኑ ረኺብካዮ፡ ድማ ምድሪ ከነኣናውያን፡ ሔታውያን፡ ኣሞራውያን፡ ፈረዛውያንን ይቡሳውያንን ጌርጌሳውያንን ንዘርኡ ኽትህቦ፡ ምስኡ ኪዳን ኣቶኻ። ንስኻ ጻድቕ ስለ ዝኾንካ ኸኣ፡ ነቲ ቓልካ ኣቖምካዮ። 9ኣብ ግብጺ ድማ ጸበባ ኣቦታትና ርኤኻ፡ ኣብ ባሕሪ ኤርትራ ኸኣ ኣውያቶም ሰማዕካ። 10ኣብ ፈርኦንን ኣብ ኩሎም ገላውኡን ኣብ ኩሉ ህዝቢ ሃገሩን ትእምርትን ትኣምራትን ገበርካ። ንሳቶም ከም ዝገፍዕዎምሲ ፈሊጥካ ነበርካ እሞ፡ ከምዚ ናይ ሎሚ ንኣኻ ስም ኣስሜኻ። 11ነቲ ባሕሪ ድማ ኣብ ቅድሜኦም መቐልካዮ፡ ብማእከል ባሕሪ ኸኣ ብንቑጽ ሓለፉ። ነቶም ዝስዕብዎም ግና ከም እምኒ ኣብ ብዙሕ ማይ ኣብቲ መዓሙቕ ደርቤኻዮም። 12ኣብቲ ዝኸድዎ መገዲ ምእንቲ ኸብርሃሎም፡ መዓልቲ ብዓንዲ ደበና፡ ለይቲ ድማ ብዓንዲ ሓዊ መራሕካዮም። 13ናብ ልዕሊ ኸረን ሲና ኸኣ ወረድካ፡ ካብ ሰማይ ድማ ተዛረብካዮም። ቅኑዕ ፍርድታትን ሓቀኛ ሕጋጋትን ጽቡቕ ሕጋጋትን ትእዛዛትን ከኣ ሃብካዮም። 14እታ ቅድስቲ ሰንበትካ ድማ ኣፍለጥካዮም፡ ትእዛዛትን ስርዓታትን ሕግን ከኣ ብኢድ ባርያኻ ሙሴ ኣዘዝካዮም። 15ንጥሜቶም ድማ ካብ ሰማይ እንጌራ ሃብካዮም፡ ንጽምኣቶምውን ካብ ከውሒ ማይ ኣውጻእካሎም። እታ ንኣታቶም ክትህቦም ኢድካ ዝዘርጋሕካላ ምድሪ ምእንቲ ኽወርስዋ ድማ ናብኣ ኽኣትው ተዛረብካዮም። 16ንሳቶምን ኣቦታትናን ግና ተዓበዩ፡ ክሳዶም ድማ ኣትረሩ፡ ንትእዛዛትካውን ኣይሰምዑን። 17ምስማዕ ኣበዩ፡ እቲ ዝገበርካሎም ተኣምራት ከኣ ኣይዘከሩን፡ ክሳውዶም ደኣ ኣትረሩ፡ ብዕልወቶም ናብታ ባርነቶም ክምለሱ፡ ሓላቑ ሸሙ። ንስኻ ግና ኣምላኽ ይቕሬታን ሰናይን መሓርን ኢኻ፡ ንኹራ ደንጓዩ፡ ብዓል ብዙሕ ምሕረት ኢኻ እሞ፡ ኣይሓደግካዮምን። 18ፍስሲ ብተይ ገይሮምሲ፡ እቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘውጽኣካ ኣምላኽካ እዚ እዩ፡ ምስ በሉ፡ ኣዝዮም ኣኾረዩኻ። 19ንስኻ ግና ብብዝሒ ምሕረትካ ኣብ በረኻ ኣይሓደግካዮምን፡ ብመዓልቲ ንምምራሕ መገዶም ዓንዲ ደበና፡ ብለይቲ ዝኸዱላ መገዲ ኸብርሃሎም ከኣ ዓንዲ ሓዊ ኻባታቶም ኣይረሓቐን። 20ዘስተምህሮም ድማ ጽቡቕ መንፈስካ ሃብካዮም። ማናኻ ኸኣ ካብ ኣፎም ኣየጉደልካን፡ ንጽምኣቶም ድማ ማይ ሃብካዮም። 21ኣብ በረኻውን ገለ ኸየጉደልካ፡ ኣርብዓ ዓመት መገብካዮም። ክዳውንቶምውን ኣየእረጉን፡ ኣእጋሮም ድማ ኣይሓበጠን። 22መንግስትታት ህዝብታትን ከኣ ሃብካዮም፡ ግደ ጌርካ ድማ ከፈልካዮም እሞ ምድሪ ሲሆን፡ እታ ሃገር ንጉስ ሐሽቦንን ሃገር ዖግ ንጉስ ባሳንን ወረሱ። 23ንደቆም ከም ከዋኽብቲ ሰማይ ኣብዛሕካዮም፡ ናብታ ነቦታቶም ከኣትውዋን ክወርስዋን ዝበልካዮም ምድሪ ድማ ኣእቶኻዮም። 24እቶም ደቂ ኸኣ ኣተውዋ እሞ ነታ ሃገር ወረስዋ። ነቶም ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ከነኣናውያን ኣብ ቅድሚኦም ኣጥቃዕካዮም። ድማ ንነገስታቶምን ንህዝብታት እታ ሃገርን ዝደለዩ ኽገብርዎም ኣብ ኢዶም ኣሕሊፍካ ሃብካዮም። 25እተዓርዳ ኸተማታትን ረጊድ ምድርን ከኣ ሓዙ። ኩሉ ጽቡቕ ነገር ዝመልአ ኣባይትን እተኻዕተ ሓጽብታትን ወይንታትን ኣዋልዕን ብዙሕ ፈራዩ ኣእዋሞን ድማ ወረሱ እሞ በቲ ዓብዩ ለውሃትካ በልዑን ጸገቡን ስብሑን ተሓጎሱን። 26ንሳቶም ግና እምቢተኛታት ኮኑን ካባኻ ዓለውን፡ ንሕግኻ ድማ ንድሕሪኦም ደረበይዎ። ነቶም ናባኻ ኽምለሱ ዝመዓድዎም ነብያትካ ቐተልዎም፡ ንኣኻውን ኣዝዮም ጸረፉኻ። 27ስለዚ ናብ ኢድ ጸላእቶም ኣሕሊፍካ ሃብካዮም እሞ ኣጨነቕዎም። ብግዜ ጸበቦኦም ግና ናባኻ ኣእወዩ፡ ንስኻ ድማ ካብ ሰማይ ሰማዕካ፡ ከምቲ ብዙሕ ምሕረትካ ኸኣ ካብ ኢድ ጸላእቶም ዘድሕንዎም መድሓንቲ ሃብካዮም። 28ዕረፍቲ ምስ ኮነሎም ግና ተመሊሶም ኣብ ቅድሜኻ ኽፉእ ገበሩ፡ ሽዑ ድማ ኣብ ኢድ ጸላእቶም ኣሕሊፍካ ሃብካዮም እሞ ገዝእዎም። ተመሊሶም ከኣ ኣባኻ ኣእወዩ፡ ንስኻ ድማ ካብ ሰማይ ሰማዕካ። ከም ምሕረትካ ኸኣ ብዙሕ ሳዕ ኣድሓንካዮም። 29ናብ ሕግኻ ኽተምልሶም ኢልካ ድማ መዓድካዮም። ንሳቶም ግና ተዓበዩ፡ ንትእዛዛትካውን ኣይሰምዑን፡ ነቲ ሰብ እንተ ገበሮ ዝድሕነሉ፡ ፍርድታትካውን በደሉ፡ መንኮቦም ድማ ኣድሓርሓሩ፡ ክሳዶም ኣትሪሮም ከኣ ኣይሰምዑን። 30ብዙሕ ዓመታት ድማ ተዓገስካዮም፡ ነብያትካ ጌርካ ኸኣ ብመንፈስካ መዓድካዮም፡ ኣእዛኖም ግና ኣይመለሱልካን። ሽዑ ናብ ኢድ ህዝብታት ሃገራት ኣሕሊፍካ ሃብካዮም። 31ግናኸ ንስኻ ለዋህን መሓርን ኣምላኽ ኢኻ እሞ፡ ብብዝሒ ምሕረትካ ፈጺምካ ኣይወዳእካዮምን ኣይሓደግካዮምን። 32ሕጂ ድማ፡ ዎ ኣምላኽና፡ ኪዳንን ምሕረትን ኣትሕሉ፡ ዓብይን ብርቱዕን መፍርህን ኣምላኽ፡ እቲ ንኣና፡ ንነገስታትና ንሓላቑናን ንኻህናትናን ንነብያትናን ነቦታትናን ንኹሉ ህዝብኻን ካብ ዘመን ነገስታት ኣሶር ጀሚሩ ኽሳዕ ሎሚ መዓልቲ ዝረኸበና መከራ ንእሽቶ ኾይኑ ኣይረኤኻ። 33ንስኻስ በቲ ኣባና ዝመጻ ኹሉ ጻድቕ ኢኻ፡ ንሕና በደልና እምበር፡ ንስኻስ በቲ ዝገበርካዮ እሙን ኢኻ። 34ነገስታትናን ሓላቑናን ካህናትናን ኣቦታትናን ሕግኻ ኣይገብሩን፡ ንትእዛዛካን ነቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝመስከርካዮ ምስክርካን ኣይሓለውን። 35ኣብታ መንግስቶምን ኣብቲ ብብዙሕ ለውሃትካ ዝሃብካዮምን ኣብታ ኣብ ቅድሚኦም ዝሃብካዮም ገፋሕን ረጓድን ምድርን ኣየገልገሉኻን፡ ኻብቲ ኽፉእ ግብሮምውን ኣይተመልሱን። 36እንሆ ሎሚ ንሕና ባሮት ኢና፡ ኣብታ ፍሬኣን በረኸታን ክበልዑ ነቦታትና ዝሃብካዮም ምድሪ፡ እንሆ፡ ንሕና ኣብኣ ባሮት ዃንና ኣሎና። 37እቶታ ድማ ነቶም ብሰሪ ሓጢኣትና ኣብ ልዕሌና ዝሸምካዮም ነገስታት ተብዝሓሎም ኣላ እሞ፡ ኣብ ልዕሊ ስጋናን እንስሳናን ከም ዝደለዮ ይገዝኡ ኣለው። ንሕና ኸኣ ኣብ ዓብዩ ጸበባ ኢና ዘሎና። 38በዚ ኹሉ ድማ ኪዳን ኣቖምና ጸሓፍናዮውን፡ ሓላቑናን ሌዋውያንናን ካህናትናን ከኣ ሓተምዎ።
መ. ነህምያ ምዕራፍ 10
1እቶም ዝሓትሙ ኸኣ እዚኣቶም እዮም፡ ነህምያ፡ እቲ ቲርሻታ ወዲ ሓካልያን ጺድቂያን፡ 2ሰራያ፡ ዓዛርያ፡ ኤርምያ፡ 3ጳሽሑር፡ ኣምርያ ማልኪያ፡ 4ሓጡሽ፡ ሸባንያ፡ ማሉክ፡ 5ሓሪም፡ መሬሞት፡ ዖባድያ፡ 6ዳኒኤል፡ ጊንቶን፡ ባሩክ፡ 7መሹላም፡ ኣቢያ፡ ሚያሚን፡ 8መዓዝያ፡ ቢልጋይ፡ ሸማዕያ፡ እዚኣቶም ካህናት እዮም። 9ሌዋውያን ከኣ፡ እያሱ ወዲ ኣዛንያ ቢኑይ ካብ ደቂ ሐናዳድ፡ ቃድሚኤል፡ 10ኣሕዋቶም ድማ ሸባንያ፡ ሆድያ፡ ቀሊጣ፡ ጰላያ፡ ሓናን፡ 11ሚካ፡ ሬሖብ፡ ሓሽብያ፡ 12ዛኩር፡ ሸረብያ፡ ሸባንያ፡ 13ሆዲያ፡ ባኒ፡ በኒኑ። 14ሓላቑ እቲ ህዝቢ፡ ጳርዖሽ፡ ጳሓትሞኣብ፡ ዔላም፡ ዘቱ፡ ባኒ፡ 15ቡኒ፡ ዓዝጋድ፡ ቤባይ፡ 16ኣዶንያ፡ ቢግዋይ ዓዲን 17ኣጤር፡ ሕዝቂያ፡ ዓዙር፡ 18ሆዲያ፡ ሓሹም፡ ቤጻይ፡ 19ሓሪፍ፡ ዓናቶት፡ ኔባይ፡ 20ማግጲዓሽ፡ መሹላም፡ ሐዚር፡ 21መሸዛብኤል፡ ጻዶቅ፡ ያዱዓ፡ 22ጳላጥያ፡ ሓናን፡ ዓናያ፡ 23ሆሺዓ፡ ሓናንያ፡ ሓሹብ፡ 24ሃሎሐሽ፡ ጺልሓ፡ ሸቤቅ፡ 25ሬሑም፡ ሓሻብና፡ ማዓሰያ፡ 26ድማ ኣሒያ፡ ሓናን፡ ዓናን፡ 27ማሉክ ሓሪም ባዓና። 28እቶም ዝተረፉ ህዝብን ካህናትን ሌዋውያንን ሓለውቲ ኣፍ ደገን ዘመርትን ነቲኒምን ሕጊ ኣምላኽ ንምግባር ነፍሶም ካብ ህዝቢ እታ ሃገር ዝፈለዩ ኹላቶምን፡ ኣንስቶምን ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን ኩሎም ፍልጠትን ምስትውዓልን ዝነበሮም፡ 29-30እዚኣቶም ምስቶም ከበርተ ኣሕዋቶም ሓቢሮም በቲ ብኢድ ሙሴ ባርያ ኣምላኽ እተዋህበ፡ ብሕጊ ኣምላኽ ንምኻድ ድማ፡ ናይ ጐይታና እግዚኣብሄር ትእዛዛትን ፍርድታቱን ሕጋጋቱን ኩሉ ኽሕልውን ክገብርዎን፡ ንህዝብታት እታ ሃገር ድማ፡ ኣዋልድና ኣይንህብ፡ ነወዳትና ኸኣ ኣዋልዶም ኣይንውሰድ፡ ኢሎም ማሕላን መርገምን ገበሩ። 31እቶም ህዝብታት እታ ሃገር በብዓይነቱ ሸቕጥን እኽልን፡ ብመዓልቲ ሰንበት ክሸጥዎ ኢሎም ዘምጽእዎ፡ በመዓልቲ ሰንበትን ብቅዱስ መዓልትን ካባታቶም ኣይንሻየጥ በብሳብዐይቲ ዓመት ከኣ እታ ምድሪ ትዕረፍ ንሕደጋ፡ ነቶም ሰብ ዕዳውን ንሕደገሎም፡ በልና 32-33ንኣገልግሎት ቤት ኣምላኽና፡ ንእንጌራ ምርኣይን ነቲ ናይ ወርትግ መስዋእቲ ብልዕን ነቲ ወርትግ ዝሓርር መስዋእትን ናይ ስናብትን ናይ ስርቂ ወርሕን ናይ ምዱባት በዓላትን ናይ ቅዱስ ነገርን ንመተዓረቒ እስራኤል ዝኸውን መስዋእቲ ሓጢኣትን ንኹሉ ዕዮ ቤት ኣምላኽናን ዝኸውን በብዓመት ሲሶ ሚትቃል ክንህብ፡ ኣብ ርእስና ትእዛዝ ጸዓንና። 34ብዛዕባ እቲ ምውፋይ ዕንጨይቲ ኸምቲ ኣብ ሕጊ ተጽሒፉ ዘሎ፡ ኣብ መሰውኢ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኽነድድሲ፡ በብማይ ቤት ኣቦታትና ዓመት ንዓመት በብእዋኑ ንቤት ኣምላኽና ዕጨይቲ ንምምጻእ ንኻህናትን ንሌዋውያንን ንህዝብን ዕጭ ኣውደቕናሎም። 35በኹራት ፍረ ምድርናን በኹራት ኩሉ ፍረ ናይ ኩሉ ዓይነት ኣግራብናን በብዓመት ናብ ቤት እግዚኣብሄር ከነምጽእ፡ 36ከምቲ ኣብ ሕጊ ተጽሒፉ ዘሎ ድማ፡ በኹሪ ደቅናን እንስሳናን በኹሪ ኣሓናን ኣባጊዕናን ናብቶም ቤት ኣምላኽና ነምጽእ። 37ቀዳማይ ብሑቕናን ዝለዓል ሞባእናን ፍረ ኹሉ ዓይነት ኣግራብን ናይ ወይንን ናይ ዘይትን ንኻህናት ናብ ክፍልታት ቤት ኣምላኽና ነምጽእ። ናይ ምድርና ዕሽር ከኣ ንሌዋውያን ነምጽእ፡ ንሳቶም ሌዋውያን፡ ካብ ኩሉ ሕርሻ እተን ከተማታትና ዕሽር ይውሰዱ። 38ሌዋውያን ዕሽር ክወስዱ ኸለው ድማ፡ ብሓደ ኻህን ወዲ ኣሮን፡ ምስቶም ሌዋውያን ይኹን። እቶም ሌዋውያን ድማ ናይቲ ዕሽር ዓስራዩ የልዕሉ እሞ ናብ ቤት ኣምላኽና፡ ናብቲ ኽፍልታት ቤት መዛግብቲ የእትው። 39እቶም ደቂ እስራኤልን ደቂ ሌዊን ከኣ ናይ እኽልን ናይ ወይንን ናይ ዘይትን ዝልዓል መስዋእቲ ናብቲ ኽፍልታት እዮም ዘምጽእዎ፡ ኣብኡ ኸኣ እቲ ኣቓሑ መቕደስን እቶም ዘገልግሉ ኻህናትን ሓለውቲ ደጌታትን ዘመርትን እዮም ዘለው። እምበኣርሲ ቤት ኣምላኽና ከቶ ኣይንሕደግ።
መ. ነህምያ ምዕራፍ 11
1እቶም ሓላቑ እቲ ህዝቢ ድማ ኣብ ዮርሳሌም ተቐመጡ። እቶም ዝተረፉ ህዝቢ ግና ከካብ ዓሰርተስ ሓሓደ ወሲዶም ናብቲ ቅድሲ ኸተማ፡ ናብ ዮርሳሌም ብቐምጥዎም እቶም ትሽዓተ ኢድ ከኣ ኣብተን ካልኦት ከተማታት ክቕመጡ ዕጭ ተዋደቑ። 2ነቶም ብፍቓዶም ኣብ ዮርሳሌም ክቕመጡ ዝፈተው ኹሎም ሰባት ድማ እቲ ህዝቢ መረቆም። 3እቶም ኣብ ዮርሳሌም እተቐመጡ ሓላቑ እታ ሃገር እዚኣቶም እዮም። ኣብተን ከተማታት ይሁዳ ግና እስራኤላውያን፡ ካህናት ሌዋውያንን ነቲኒምን ደቂ ገላው ሰሎሞንን፡ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ረርስቱ ኣብ ከተማታቶም ተቐመጡ። 4ካብ ደቂ ይሁዳን ካብ ደቂ ብንያምን ድማ ኣብ ዮርሳሌም ተቐመጡ፡ ካብ ደቂ ይሁዳ፡ ዓታያ ወዲ ዑዚያ፡ ወዲ ዘካርያ፡ ወዲ ኣማርያ፡ ወዲ ሸፋጥያ፡ ወዲ ማሃላልኤል፡ ካብ ደቂ ፋሬስ። 5ድማ ማዓስያ ወዲ ብሩክ፡ ወዲ ኮልሐዘ፡ ወዲ ሓዛያ፡ ወዲ ዓዳያ፡ ወዲ ዮያሪብ፡ ወዲ ዘካርያ፡ ወዲ እቲ ሹሎናዊ። 6ኩላቶም ኣብ ዮርሳሌም እተቐመጡ ደቂ ፋሬስ ኣርባዕተ ሚእትን ስሳን ሾምንተን ሓያላት ሰባት ነበሩ። 7ደቂ ብንያም ድማ እዚኣቶም እዮም፡ ሳሉ ወዲ መሹላም፡ ወዲ ዮዔድ፡ ወዲ ጳዳያ፡ ወዲ ቆላያ፡ ወዲ ማዓስያ፡ ወዲ ኢቲኤል፡ ወዲ ይሻዕያ። 8ድሕሪኡ ኸኣ ጋባይ፡ ሰላይ፡ ትሽዓተ ሚእትን ዕስራን ሾምንተን። 9ዮኤል ወዲ ዝክሪ ኸኣ ሓላቓኦም ነበረ፡ ይሁዳ ወዲ ሃስኑኣ ድማ ኣብ ልዕሊ እታ ኸተማ ኻልኣዮ ነበረ። 10ካብ ካህናት ከኣ የዳዕያ ወዲ ዮያሪብ፡ ያኪን። 11ሰራያ ወዲ ሒልቃያ፡ ወዲ መሹላም፡ ወዲ ጻዶቅ፡ ወዲ መራዮት፡ ወዲ ኣሒጡብ፡ ሓለቓ ቤት ኣምላኽ። 12ዕዮ እቲ ቤት ዝዓዮ ኣሕዋቶም ድማ ሾሞንተ ሚእትን ዕስራን ክልተን እዮም፡ ድማ ዓዳያ፡ ወዲ ይሮሓያ፡ ወዲ ጳላልያ፡ ወዲ ኣምጺ፡ ወዲ ዘካርያ፡ ወዲ ጳሽሑር፡ ወዲ ማልኪያ፡ 13ኣሕዋቱ ኸኣ ሓላቑ ማይ ቤት ኣቦታት ክልተ ሚእትን ኣርብዓን ክልተን፡ ዓማሽሳይ ወዲ ዓዛርኤል፡ ወዲ ኣሕዛይ፡ ወዲ መሸሌሞት፡ ወዲ ኢመር፡ 14ኣሕዋቶምውን ሓያላት ጀጋኑ፡ ሚእትን ዕስራን ሾሞንተን፡ ሓለቓኦም ድማ ዛብዲኤል፡ ወዲ ሃገዶሊሞ ነበረ። 15ካብ ሌዋውያን ድማ ሸማዕያ ወዲ ሓሹብ፡ ወዲ ዓዝሪቃም፡ ወዲ ሓሻብያ፡ ወዲ ቡኒ። 16ካብ ሓላቑ ሌዋውያን ከኣ ሻብታይን ዮዛባድን ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ ወጻኢ ዕዮ ቤት ኣምላኽ ነበሩ። 17ድማ ማታንያ ወዲ ሚካ፡ ወዲ ዛብዲ፡ ወዲ ኣሳፍ፡ ንሱ ብጸሎት ከማር መዝሙር ምስጋና ዝነበረ ሓለቓ እዩ። ካልኣዮ ኸኣ ካብ ኣሕዋቱ፡ ባቅቡቅያ፡ ኣብዳ ወዲ ሸሙዓ ኸኣ፡ ወዲ ጋላል፡ ወዲ ይዱቱን። 18ኩሎም ሌዋውያን ኣብታ ቅድስቲ ኸተማ ኽልተ ሚእትን ሰማንያን ኣርባዕተን ነበሩ። 19ሓለውቲ ኣፍ ደገ ኸኣ ዓቁብ፡ ጣልሞን፡ ኣሕዋቶም ድማ ንደጊታት ዝሕልው ዝነበሩ፡ ሚእትን ሰብዓን ክልተን እዮም። 20ካብ እስራኤል ዝተረፉ ኻህናትን ሌዋውያንን ከኣ ኣብ ኩለን ከተማታት ይሁዳ፡ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ረርስቶም ተቐመጡ። 21እቶም ነቲኒም ግና ኣብ ዖፌል ተቐመጡ፡ ጺሓን ጊሽጳን ከኣ ኣብ ልዕሊ እቶም ነቲኒም ነበሩ። 22ኡዚ ወዲ ባኒ ድማ፡ ወዲ ሓሻብያ፡ ወዲ ማታንያ፡ ወዲ ሚካ፡ ካብ ደቂ ኣሳፍ እቶም ዘመርቲ፡ ኣብ ዮርሳሌም ኣብቲ ኣገልግሎት ቤት እግዚኣብሄር ሓለቓ ሌዋውያን ነበረ። 23ከመይሲ ብዛዕባኦም ትእዛዝ ንጉስ ነበረ፡ ነቶም ዘመርቲውን ነንመዓልቲ ምዱብ ግዲኦም ተሰርዓሎም። 24ጴታሕያ ወዲ መሸዛብኤል፡ ካብ ደቂ ዜራሕ ወዲ ይሁዳ ኸኣ ብኹሉ ናይ ህዝቢ ነገር ምስ ንጉስ ነበረ። 25ኣብ ኣቑሻቶምን ኣብ ማሕረሶምን ድማ ገለ ኻብ ደቂ ይሁዳ ኣብ ቂርያት-ኣርባን ኣብ ዓድታታን ኣብ ዲቦንን ኣብ ኣድታታን ኣብ ቃብጽኤልን ኣብ ኣቑሻታን ተቐመጡ። 26ኣብ የሹዓን ኣብ ሞላዳን ኣብ ቤት ጰሌጥን፡ 27ኣብ ሓጺር-ሹዓልን ኣብ ብኤር-ሸባዕን ኣብ ዓድታታን፡ 28ኣብ ጺቅላግን ኣብ መኮናን ኣብ ዓድታታን፡ 29ኣብ ዔን-ሪሞንን ኣብ ጸርዓን ኣብ ያርሙትን ተቐመጡ። 30ኣብ ዛኖሓን ኣብ ዓዱላምን ኣብ ዓድታተንን፡ ኣብ ላኪሽን ኣብ ማሕረሳን ኣብ ዓዘቃን ኣብ ዓድታታን ካብ ብኤር ሸባዕ ክሳዕ ለሰ ሂኖም ሰፈሩ። 31ደቂ ብንያም ከኣ ካብ ጌባዕ፡ ኣብ ሚኽማሽን ኣብ ዓያን ኣብ ቤት-ኤልን ኣብ ዓድታታን ተቐመጡ፡ 32ኣብ ዓናቶት፡ ኣብ ኖብ፡ ኣብ ዓናንያ፡ 33ኣብ ሓጾር፡ ኣብ ራማ፡ ኣብ ጊታይም፡ 34ኣብ ሓዲድ፡ ኣብ ጽቦዒም፡ ኣብ ነባላጥ፡ 35ኣብ ሎድን ኣብ ኦኖን፡ ኣብ ለሰ ጸረብትን። 36ካብ ሌዋውያን ድማ ገለ ኣብ ይሁዳ ኻብ ዝነበሩ ኽፍልታት ምስ ብንያም ሓበሩ።
መ. ነህምያ ምዕራፍ 12
1እቶም ምስ ዙሩባቤል፡ ወዲ ሸኣልቲኤልን ምስ እያሱን ዝደየቡ ኻህናትን ሌዋውያንን እዚኣቶም እዮም፡ ሰራያ፡ ኤርምያ፡ እዝራ፡ 2ኣማርያ፡ ማሉክ፡ ሓጡሽ፡ 3ሸካንያ፡ ሬሑ፡ መሬሞት፡ 4ዒዶ፡ ጊንቶይ፡ ኣቢያ፡ 5ሚያሚን፡ ማዕድያ፡ ቢልጋ፡ 6ሸማዕያ፡ ዮያሪብ፡ የዳዕያ፡ 7ሳሉ፡ ዓሞቅ፡ ሒልቂያ። የዳዕያ። እዚኣቶም ብዘመን እያሱ፡ ናይ ካህናትን ናይ ኣሕዋቶምን ሓላቑ ነበሩ። 8ሌዋውያን ድማ፡ እያሱ፡ ቡኑኢ፡ ቃድሚኤል፡ ሸረብያ፡ ይሁዳ፡ ማታንያ፡ ንሱን ኣሕዋቱን፡ መራሕቲ መዝሙር ምስጋና። 9ኣብ መንጽሮም ድማ ኣሕዋቶም ባቅቡቅያን ዑኒን ኣብ ሓለዋኦም ነበሩ። 10እያሱ ኸኣ ንዮያቂም ወለደ፡ ዮያቂም ድማ ንኤልያሺብ ወለደ፡ ኤልያሺብ ከኣ ንዮያዳዕ ወለደ። 11ዮያዳዕ ድማ ንዮናታን ወለደ፡ ዮናታን ከኣ ንያዱዓ ወለደ። 12ብዘመን ዮያቂም ከኣ እቶም ካህናት ሓላቑ ማይ ቤት ኣቦታት ዝነበሩ እዚኣቶም እዮም፡ ካብ ሰራያ መራያ፡ ካብ ኢርምያ ሓናንያ፡ 13ካብ እዝራ መሹላም፡ ካብ ኣማርያ ዮሓናን፡ 14ካብ መሊኩ ዮናታን፡ ካብ ሸባንያ ዮሴፍ፡ 15ካብ ሓሪም ዓድና፡ ካብ መርዮይ ሐልቃይ፡ 16ካብ ዒዶ ዘካርያስ፡ ካብ ጊንቶን መሹላም። 17ካብ ኣቢያ ዝክሪ፡ ካብ ሚንያሚን፡ ካብ ሞዓድያ ጲልጣይ፡ 18ካብ ቢልጋ ሻሙዓ፡ ካብ ሸማዕያ ይሆናታን፡ 19ካብ ዮያሪብ ድማ ማትናይ፡ ካብ የዳዕያ ዑዚ፡ 20ካብ ሳላይ ቃላይ፡ ካብ ዓሞቅ ዔበር፡ 21ካብ ሒልቂያ ሓሻብያ፡ ካብ ይዳዕያ ንታንኤል። 22እቶም ሌዋውያን ብዝመን ኤልያሺብን ዮያዳዕ ዮሓናን ያዱዓን ሓላቑ ማይ ቤት ኣቦታት ኮይኖም ተጻሕፉ፡ እቶም ካህናት ድማ ብዘመን መንግስቲ ዮርዳኖስ ብዓል ፋርስ ተጻሕፉ። 23እቶም ደቂ ሌዊ ሓላቑ ማይ ቤት ኣቦታት ክሳዕ ዘመን ዮሓናን ወዲ ኤልያሺብ ኣብቲ መጽሓፍ ዜና መዋእል ተጻሕፉ። 24ሓላቑ እቶም ሌዋውያን ከኣ ሓሻብያ፡ ሸረብያ፡ እያሱ ወዲ ቃድማኤል ምስ ኣሕዋቶም ኣብ መንጽሮም ኮይኖም፡ ከምቲ ትእዛዝ ዳዊት፡ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ይውድሱን የመስግኑን ነበሩ። 25ማታንያን ባቅቡቅያን ዓብድያ፡ መሹላም፡ ጣልሞን ዓቁብ፡ እዚኣቶም ሓለውቲ ደገ ኾይኖም ኣፍ ደገ እቲ መዛግብቲ ይሕልው ነበሩ። 26እዚኣቶም ብዘመን ዮያቂም፡ ወዲ እያሱ ወዲ ዮጻዳቅን ብዘመን መስፍንን ነህምያን እዝራ እቲ ኻህንን ጸሓፍን ነበሩ። 27ብምቕዳስ እቲ መካበብያ ዮርሳሌም ድማ፡ ምእንቲ ብምስጋናን ብመዝሙርን ብጸናጽልን ብመሰንቆን ብበገናን ገይሮም ብሓጎስ ክቕድስዎ፡ ነቶም ሌዋውያን ካብ ኩሉ ቦታኦም ናብ ዮርሳሌም ከምጽእዎም ደለይዎም። 28-29እቶም ዘመርትስ ኣብ ከባቢ ዮርሳሌም ዓድታት ሰሪሖም ነበሩ እሞ፡ ደቂ እቶም ዘመርቲ ኻብቲ ጎልጎል ከባቢ ዮሩሳሌምን ካብ ዓድታት ነጦፋታውያንን ካብ ቤት ጊልጋልን ካብ ምድሪ ጌባዕን ዓዝማዌትን ተኣከቡ። 30እቶም ካህናትን ሌዋውያንን ድማ ጸንዑ። ነቲ ህዝብን ንደጌታትን ነቲ ቖጽርን ከኣ ኣንጽህዎ። 31ንሓላቑ ይሁዳ ድማ ናብ ልዕሊ እቲ መካበብያ ኣደየብክዎም። ዘመስግኑ ኸኣ ክልተ ዓበይቲ ታራ ኣቖምኩ፡ እቶም ሓደ ታራ ናብ ልዕሊ እቲ መካበብያ ደገ መጉሓፊ ብሸነኽ የማን ከዱ። 32ብድሕሪኦም ሆሻዕያ ኸደ፡ ሓላቑ ይሁዳ ኸኣ ፈረቓኦም ከዱ፡ 33ኣዛርያን እዝራን መሹላምን፡ 34ይሁዳን ብንያምን ሸማዕያን ኤርምያስን፡ 35ካብ ደቂ ኻህናት ድማ መለኸቶም ሒዞም፡ ዘካርያስ ወዲ ዮናታን፡ ወዲ ሸማዕያ፡ ወዲ ማታንያ፡ ወዲ ሚካያ፡ ወዲ ዛኩር፡ ወዲ ኣሳፍ። 36ኣሕዋቱ ድማ፡ ሸማዕያን ዓዛርኤልን፡ ሚላላይ፡ ጊላላይ፡ ማዓይ፡ ንታንኤልን ይሁዳን ሓናኒን፡ ነቲ ናይ ዳዊት ናይ ኣምላኽ ሰብ መሳርያታት ሙዚክ ሒዞም፡ እዝራ እቲ ጸሓፊ ኸኣ ቀቅድሚኦም ነበረ። 37ኣብ መንጽሮም ኣብ ዘሎ ደገ እቲ ዔላ፡ በቲ ንኸተማ ዳዊት ዘደይብ መሳልል፡ ኣብ ልዕሊ ቤት ዳዊት ዘሎ ናይ መካበብያ ዘደይብ መሳልል ክሳዕ እቲ ንምብራቕ ዘብል ደገ ማይ ደየቡ። 38እቶም ካልኣይ ታራ ዘመስግኑ ኸኣ ክራኸብዎም ናብ ካልኦት ወገን ኣቢሎም ይኸዱ ነበሩ። ኣነን ፈረቓ እቲ ህዝብን ድማ ካብ ግምቢ ኣቶም ክሳዕ እቲ ገፊሕ መካበብያ ብልዕሊ እቲ መካበብያ ጌርና ደድሕሪኦም ከድና። 39ኣብ ልዕሊ እቲ ደገ ኤፍሬምን ብልዕሊ እቲ ኣረጊት ደገን እቲ ደገ ዓሳን ብግምቢ ሃናንኤልን ብግምቢ ሜኣን ክሳዕ ደገ ኣባጊዕ ከይዶም ድማ ኣብ ደገ ቤት ማእሰርቲ ቆሙ። 40እቶም ክልተ መስርዕ ዘመስግኑ ድማ ኣብ ቤት ኣምላኽ ቖሙ፡ ኣነ ከኣ ምስ ፈረቓ እቶም ሹማምቲ። 41እቶም ካህናት ድማ፡ ኤልያቂም፡ ማዕሰያ፡ ሚንያሚን፡ ሚካያ፡ ኤልዮዔናይ፡ ዘካርያስ፡ ሓናንያ፡ መለኸት ሒዞም። 42ምማዕሰያን ሸማዕያን ኣልኣዛርን ዑዚን የሆሓናን መልክያን ዔላምን ዔዘርን። እቶም ዘመርቲ ኸኣ ዓው ኢሎም ይዝምሩ ነበሩ፡ ይዝራሕያ ኸኣ መራሒኦም ነበረ። 43በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ዓብዩ መስዋእቲ ሰውኡ። ኣምላኽ ዓብዩ ሓጎስ ኣሖጊሱዎም እዩ እሞ፡ ደስ በሎም። እተን ኣንስትን እቶም ደቅን ከኣ ተሓጎሱ፡ ሓጎስ ዮርሳሌምውን ክሳዕ ርሑቕ ተሰምዐ። 44እቶም ኣይሁድ ኣገልግሎት ካህናትን ሌዋውያንን ርእዮም ተሓጎሱ እሞ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ነቲ ዝለዓል መስዋእትታትን በኹራትን ዕሽርን ካብ ኩሉ ማሕረስ እተን ከተማታት ከምቲ ሕጊ ግደ ኻህናትን ሌዋውያንን ናብቲ ዝእከቡሉ ኽፍልታት ቤት መዛግብቲ ዝእክቡ ዋናታት ኣቖሙ። 45ንሳቶም ድማ ነቲ ሓለዋ ኣምላኾምን ነቲ ሓለዋ ጽሬትን ሓለው፡ እቶም ዘመርትን ሓለውትን ደጌታትን ከኣ ከምኡ፡ ከምቲ ትእዛዝ ዳዊትን ሰሎሞን ወዱን ገበሩ። 46ቀደም ብዘመን ዳዊትን ኣሳፍንሲ፡ ሓላቑ ዘመርቲ ነበሩ፡ ንኣምላኽ ድማ መዝሙር ውዳሴን ምስጋናን ነበረ። 47ብዘመን ዘሩባቤልን ብዘመን ነህምያን ከኣ ብዘለው እስራኤል ነቶም ዘመርትን ሓለውቲ ደጊታትን ነንመዓልቲ ግዲኦም ሃብዎም። ንሌዋውያን ድማ ካብቲ እተቐደሰ ነገር ሃቡ። እቶም ሌዋውያን ከኣ ካብቲ እተቐደሰ ነገር ንደቂ ኣሮን ሃቡ።
መ. ነህምያ ምዕራፍ 13
1በታ መዓልቲ እቲኣ ነቲ መጽሓፍ ሙሴ ኣብ እዝኒ እቲ ህዝቢ ኣንበብዎ፡ ኣብኡ ኸኣ ዓሞናውን ሞኣባውን ንዘለኣለም ኣብ ማሕበር ኣምላኽ ከይኣቱ፡ ተጽሒፉ ተረኸበ። 2ከመይሲ ኽረግሞም ደኣ ንበላዓም ተሻየጥዎ እምበር፡ ንደቂ እስራኤል እንጌራን ማይን ሒዞም ኣይተቐበልዎምን። ኣምላኽና ግና ነቲ መርገም ኣብ በረኸት መለሶ። 3ኮነ ድማ፡ ነቲ ሕጊ ምስ ሰምዑ፡ ጓና ዘበለ ኻብ እስራኤል ፈለዩ። 4ቅድሚ እዚ፡ ኤልያሺብ እቲ ኻህን ኣብ ልዕሊ ኽፍልታት ቤት ኣምላኽና ተሸይሙ ዝነበረ፡ ዘመድ ጦብያ፡5ንሱ ንእኡ ዓብዩ ክፍሊ ኣቃሑ ኣዳለወሉ፡ ቅድም ኣብኡ መስዋእቲ ብልዕን ዕጣንን ኣቓሑን ናይ እኸልን ናይ ወይንን ናይ ዘይትን ዕሽር፡ ማለት እቲ ንሌዋውያንን ንዘመርትን ንሓለውቲ ደጌታትን እተኣዘዘሎምን እቲ ንኻህናት ዝለዓል መስዋእትታትን የንብሩሉ ነበሩ። 6ኣነ ግና ብኹሉ እዚ ነገር እዚ ኣብ ዮርሳሌም ኣይነበርኩን። ብመበል ሰላሳን ክልተን ዓመቱ ንኣርታሕሻስታ ንጉስ ባቢሎን ናብ ንጉስ ደኣ መጺኤ ነበርኩ። ድሕሪ ቕሩብ ግዜ ድማ ካብ ንጉስ ስንብታ ለመንኩ፡ 7ናብ ዮርሳሌም ከኣ መጻእኩ እሞ ኤልያሺብ ኣብ ውሽጢ መካበብያ ቤት ኣምላኽ ንጦብያ ኽፍሊ ቤት ብምድላው ዝገበሮ ኽፋእ ኣስተውዓልኩ። 8እዚ ኸኣ ኣዝዩ ኣጉሃየኒ። ንኹሉ ኣቓሑ ቤት ጦብያ ድማ ካብቲ ኽፍሊ ቤት ንግዳም ደርቤኽዎ። 9ነቲ ኽፍልታት ቤት ከኣ ከንጽህዎ ኣዘዝኩ፡ ነቲ ኣቓሑ ቤት ኣምላኽን ነቲ መስዋእቲ ብልዕን ዕጣንን ድማ መሊሰ ኣብኡ ኣእቶኽዎ። 10ንሌዋውያን ግዲኦም ከም ዘይተዋህበ፡ ብእኡ ምኽንያት ድማ እቶም ዘገልግሎ ሌዋውያንን ዘመርትን ነፍሲ ወከፍ ነናብ ማሕረሱ ኸም ዝሃደመ ፈለጥኩ። 11ሽዑ ነቶም ዓበይቲ ገሰጽክዎም፡ ስለምታይ እዩ ቤት ኣምላኽ እተሓድገ፡ ኢለ ኸኣ ኣኪበ ነናብ ዕዮኦም ኣቖምክዎም። 12ሽዑ ኸኣ ኩሉ ይሁዳ ኻብ እኽልን ወይንን ዘይትን ዕሽር ናብቲ መዝገብ የምጽእ ነበረ። 13ተሓዝቲ መዝገብ ከኣ ሸለምያ ኻህንን ጻዶቅ ጸሓፍን፡ ካብ ሌዋውያን ድማ ፈዳያ ኣቖምኩ። ምሳታቶም ከኣ ሓናን ወዲ ዛኩር፡ ወዲ ማታንያ፡ ወሰኽኩ፡ እሙናት ኮይኖም ስለ እተረኸቡ ድማ ነሕዋቶም ገግዲኦም ከካፍልዎም ተመዘዙ። 14ስለዚ ዎ ኣምላኸይ፡ ዘክረኒ፡ ኣብ ቤት ኣምላኸይን ኣብ ኣገልግሎቱን ዝገበርክዎ ለውሃተይ ከኣ ኣይተጥፍእ። 15በተን መዓልትታት እቲኤን ኣብ ይሁዳ ብሰንበት ኣብ መርገጽ ወይኒ ኽረግጹን ኣእዱግ ጽዒኖም እንዳእቲ ኸእትውን ወይንን ዘለላ ወይንን በለስን በብዓይነቱን ጽዕነትን ድማ ብመዓልቲ ሰንበት ናብ ዮርሳሌም ከምጽኡን ርአኹ። ኣነ ኸኣ በታ እቶቶም ዝሸጡላ መዓልቲ ኣንጻሮም መስከርኩ። 16ኣብኣ ድማ ሰብ ጢሮስ ነበሩ፡ ንሳቶም ዓሳን ዝሽየጥ ኩሉ ነገርን የምጽኡ፡ ንደቂ ይሁዳ ኸኣ ብሰንበትን ኣብ ዮሩሳሌምን ይሸጡሎም ነበሩ። 17ሽዑ ንዓበይቲ ይሁዳ፡ እዚ እተገብርዎ ኽፉእ ነገር እንታይ ማለት እዩ፡ መዓልቲ ሰንበት ተርክሱ ኣሎኹም፡ ኢለ ኾሬኽሎም። 18ኣቦታትኩምሲ ኸምኡዶ ኣይኮነን ዝገበሩ፡ ኣምላኽና ድማ እዚ ኹሉ ኽፉእ እዚ ናብ ልዕሌናን ናብ ልዕሊ እዛ ኸተማ እዚኣን ኣምጽአልና። ንስኻትኩም ድማ ብሰንበት ብምርካስኩም ነቲ ነዳዲ ኹራ ናብ ልዕሊ እስራኤል ኣበርታዕኩምዎ። 19ኮነ ኸኣ፡ ቅድሚ ሰንበት ነተን ደጌታት ዮርሳሌም ድነ ኽወድቀን ምስ ጀመረ፡ ደጌታት ኽዓጽው ኣዘዝኩ። ሰንበት ክሳዕ እትሓልፍ ከኣ፡ ከይከፍቱ ኣዘዝኩ። ብመዓልቲ ሰንበት ገለ ሰኽሚ ኸይኣቱ፡ ካብ ገላዎይ ኣብ ደገ ደው ኣበልኩ። 20ሽዑ እቶም ነጋዶን ሸየጥቲ ኹሉ ዓይነትን ኣብ ወጻኢ ዮርሳሌም ሓንሳእ ወይ ክልተ ሳዕ ሓደሩ። 21ኣነ፡ ድማ ኣብ መንጽር መካበብያ እተሓድሩስ ስለምንታይ ኢኹም፡ ከምዚ እንተ ደገምኩም፡ ኢደይ ኣብ ልዕሌኹም ከልዕል እየ፡ ኢለ ኣሰማዕኩሎም። ካብታ ግዜ እቲኣ ጀሚሮም ብሰንበት ኣይመጹን። 22ንሌዋውያን ከኣ ክጸርዩን፡ ንምሕላው ደጌታትን መዓልቲ ሰንበት ንምቕዳስን ክመጹ ኣዘዝክዎም። በዚ ድማ፡ ዎ ኣምላኸይ፡ ዘክረኒ፡ ከም ብዝሒ ምሕረትካውን ደንግጸለይ። 23በተን መዓልትታት እቲኤን ድማ ካብ ኣንስቲ ኣሽዶዳውያን፡ ዓሞናውያን፡ ሞኣባውያን ዘእተው ኣይሁድ ርኤኹ። 24እቶም ደቆም ከኣ ፈረቓኦም ብዘረባ ኣሽዳድ ወይስ ናይ ዝኾነ ኻልእ ህዝቢ ይዛረቡ ነበሩ እምበር፡ ብዘረባ ኣይሁድ ምዝራብሲ ኣይኽእሉን ነበሩ። 25ተቖጢዐ ድማ ረገምክዎም፡ ካባታቶም ከኣ ንሓያሎ ሰባት ወቓዕኩ፡ ጸጉሮምውን ነጼኹ፡ ኣዋልድኩም ነወዳቶም ኣይትሃቡ፡ ካብ ኣዋልዶም ከኣ ነወዳትኩምን ንርእስኻትኩምን ኣይትውሰዱ፡ ኢለ ድማ ብኣምላኽ ኣምሓልክዎም። 26በልኩውን፡ ሰሎሞን ንጉስ እስራኤልሲ በዚ ነገር እዝዶ ኣይኮነን ዝበደለ፡ ብሓቂ ኣብ መንጎ ብዙሓት ኣህዛብ ከምኡ ዝበለ ንጉስ ኣይነበረን። ኣብ ኣምላኹ ኸኣ ፍትዊ ነበረ። ኣምላኽ ድማ ኣብ ልዕሊ ኹሎም እስራኤል ኣንገሶ። ግናኸ ንእኡውን ጓኖት ኣንስቲ ናብ ሓጢኣት ኣስሓታኦ። 27እዚ ኹሉ ዓብዩ ኽፍኣት ክትገብሩ፡ ጓኖት ኣንስቲ ብምውሳድ ንኣምላኽና ኽትዕምጹዶ ብሓቂ ንኣኻትኩም ክንእዘዝ ኢና። 28ሓደ ኻብ ደቂ ዮያዳዕ፡ ወዲ ኤልያሺብ ሊቀ ኻህናት፡ ምስ ሳንባላጥ ሖሮናዊ ሕምነት ገበረ። ስለዚ ኸኣ ካባይ ሰጎግክዎ። 29ክህነትን ኪዳን ክህነትን ሌዋውያንን ስለ ዘርከሱ፡ ዎ ኣምላኸይ፡ ዘክሮም። 30በዚ ኸምዚ ኻብ ኩሉ ጋሻ ነገር ኣጽሬኽዎም። ነቲ ኣገልግሎት ካህናትን ሌዋውያንን ከኣ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ሰስራሑ ብምትሓዝ ኣቖምክዎ። 31ብዛዕባ እቲ ንመስዋእቲ ዝኸውን ዕጨይትን ብዛዕባ በኹራትን በቲ እተመደበ ግዜ ክቐረብ ኣዘዝኩ። 32ዎ ኣምላኸይ፡ ንጽቡቕ ሕሰበለይ።