👉ናብ ብሉይ ኪዳን
ሓድሽ ኪዳን👇
ቅዱስ ማቴዎስ ዝጸሓፎ ወንጌል
1 2 3 4 5 6 7 8 9
10 11 12 13 14 15
16 17 18 19 20
21 22 23 24
25 26 27
28
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ወን.ማቴዎስ ምዕራፍ 1
1መጽሓፍ ወለዶ የሱስ ክርስቶስ ወዲ ዳዊት፡ ወዲ ኣብርሃም። 2ኣብርሃም ንይስሃቅ ወለደ፡ ይስሃቅ ንያእቆብ ወለደ፡ ያእቆብ ንይሁዳን ንሕዋቱን ወለደ፡ 3ይሁዳ ኸኣ ካብ ትእማር ንፋሬስን ንዛራን ወለደ፡ ፋሬስ ንኤስሮም ወለደ፡ ኤስሮም ንኣራም ወለደ፡ 4ኣራም ንኣሚናዳብ ወለደ፡ ኣሚናዳብ ንነኣሶን ወለደ፡ ነኣሶን ንሰልሞን ወለደ፡ 5ሰልሞን ካብ ራኬብ ንቦኣዝ ወለደ፡ ቦኣዝ ካብ ሩት ንእዮቤድ ወለደ፡ እዮቤድ ንእሴይ ወለደ። 6እሴይ ንንጉስ ዳዊት ወለደ፡ ንጉስ ዳዊት ካብ ሰበይቲ ኡርያ ንሰሎሞን ወለደ። 7 ሰሎሞን ንሮብኣም ወለደ። ሮብኣም ንኣብያ ወለደ፡ ኣብያ ንኣሳ ወለደ፡ 8ኣሳ ንእዮሳፋጥ ወለደ፡ እዮሳፋጥ ንእዮራም ወለደ፡ እዮራም ንኦዝያ ወለደ፡ 9ኦዝያ ንእዮኣታም ወለደ፡ እዮኣታም ንኣካዝ ወለደ፡ ኣካዝ ንህዝቅያስ ወለደ፡ 10ህዝቅያስ ንምናሴ ወለደ፡ ምናሴ ንኣሞን ወለደ፡ ኣሞን ንእዮስያስ ወለደ፡ 11እዮስያስ ከኣ ብዘመን ምርኮ ባቢሎን ንኢኮንያን ነሕዋቱን ወለደ። 12ድሕሪ ምርኮ ባቢሎን ድማ ኢኮንያ ንሰላትኤል ወለደ፡ ሰላትኤል ንዘሩባቤል ወለደ፡ 13ዘሩባቤል ንኣብዩድ ወለደ፡ ኣብድዩድ ንኤልያቄም ወለደ፡ ኢልያቄም ንኣዛር ወለደ፡ 14ኣዛር ንሳዶቅ ወለደ፡ ሳዶቅ ንኣኪም ወለደ፡ ኣኪም ንኤልዩድ ወለደ፡ 15ኤልዩድ ንኣልኣዛር ወለደ፡ ኣልኣዛር ንማታን ወለደ፡ ማታን ንያእቆብ ወለደ፡ 16ያእቆብ ንዮሴፍ ሕጹይ ማርያም ወለደ፡ ካብኣ ድማ እቲ ክርስቶስ ዝበሃል ዘሎ የሱስ ተወለደ። 17እምበኣርሲ ዅሉ ወለዶ ኻብ ኣብርሃም ክሳዕ ዳዊት ዓሰርተው ኣርባዕተ ወለዶ፡ ካብ ዳዊት ክሳዕ ምርኮ ባቢሎን ዓሰርተ ኣርባዕተ ወለዶ፡ ካብ ምርኮ ባቢሎን ክሳዕ ክርስቶስ ድማ ዓሰርተው ኣርባዕተ ወለዶ እዩ። 18ልደት የሱስ ክርስቶስ ከምዚ እዩ፡ ኣዲኡ ማርያም ንዮሴፍ ተሓጽያ ኸላ፡ ከይተራኸቡ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ጠኒሳ ተረኽበት። 19ዮሴፍ ሕጹያ፡ ጻድቕ ሰብኣይ ነበረ እሞ፡ ብሕቡእ ክሓድጋ ሓሰበ እምበር፡ ክገልጻ ኣይፈተወን። 20ንሱ እዚ ኽሓስብ ከሎ፡ እንሆ፡ መልኣኽ እግዚኣብሄር ብሕልሚ ተራእዮ፡ ከምዚ ኢሉ፡ ዮሴፍ ወዲ ዳዊት፡ እቲ ሕጽይትኻ ማርያም ጠኒሳቶ ዘላ ኻብ መንፈስ ቅዱስ እዩ እሞ፡ ንምውሳዳ ኣይትፍራህ። 21ወዲ ኽትወልድ እያ፡ ንሱ ኸኣ ንህዝቡ ኻብ ሓጢኣቶም ከድሕኖም እዩ እሞ፡ ስሙ የሱስ ክትሰምዮ ኢኻ። 22እዚ ዅሉ እቲ እግዚኣብሄር ብነብዪ እተዛረቦ ኽፍጸም ኰነ፡ ከምዚ ዝብል፡ 23እንሆ፡ ድንግል ክትጠንስ ወዲውን ክትወልድ እያ፡ ስሙ ኸኣ ኣማኑኤል ክብልዎ እዮም፡ ትርጉሙ፡ ኣምላኽ ምሳና እዩ። 24ዮሴፍ ካብ ድቃሱ ተንሲኡ፡ መልኣኽ እግዚኣብሄር ከም ዝኣዘዞ ገበረ፡ ንማርያም ሕጽይቱ ወሰዳ። 25በዅሪ ወዳ ኽሳዕ እትወልድ ከኣ ኣይፈለጣን። ስሙ ድማ የሱስ ሰመዮ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ወን.ማቴዎስ ምዕራፍ 2
1-2የሱስ ብዘመን ንጉስ ሄሮድስ ኣብ ቤተልሄም ናይ ይሁዳ ምስ ተወለደ፡ እንሆ፡ ሰብ ጥበብ፡ እቲ እተወለደ ንጉስ ኣይሁድ ኣበይ ኣሎ፧ ኰዀቡ ኣብ ምብራቕ ርኢና እሞ፡ ክንሰግደሉ መጺእና፡ እናበሉ ኻብ ምብራቕ ናብ የሩሳሌም መጹ። ንጉስ ሄሮድስ ሰሚዑ ሰምበደ፡ ኵላ የሩሳሌምውን ምስኡ። 4ንሱ ድማ ንዅሎም ሊቃውንቲ ኻህናትን ጻሓፍቲ ህዝብን ኣኪቡ፡ ክርስቶስ ኣበይ እዩ ዝውለድ፧ ኢሉ ሓተቶም። 5-6ንሳቶም ከኣ፡ ኣቲ ቤት-ልሄም ምድሪ ይሁዳ፡ ንህዝበይ እስራኤል ዝሕሉ ሹም ካባኺ ኽወጽእ እዩ እሞ፡ ካብ ሹማምቲ ይሁዳ ከቶ ኣይትንእስን ኢኺ፡ ጽሑፍ እዩ እሞ ኣብ ቤት-ልሄም ናይ ይሁዳ እዩ፡ በልዎ። 7ድሕርዚ ሄሮድስ ንሰብ ጥበብ ብሕቡእ ጸውዖም፡ ካባታቶም ድማ ዘመን እቲ እተራእዮም ኰዀብ ኣጸቢቑ ተረድአ ። 8ናብ ቤት-ልሄም ድማ ሰደዶም፡ ኬድኩም ብዛዕባ እቲ ህጻን ኣርጊጽኩም መርምሩ። ምስ ረኸብኩምዎ፡ ኣነ ኸኣ መጺአ ኽሰግደሉ፡ ኣፍሉጡኒ በሎም። 9ንሳቶም ከኣ ካብ ንጉስ ሰሚዖም ከዱ። እንሆ፡ እቲ ኣብ ምብራቕ ዝረኣይዎ ኰዀብ ኣብ ልዕሊ እታ እቲ ሕጻን ዘለዋ ቦታ መጺኡ ደው ክሳዕ ዝብል መርሖም። 10ነቲ ኰዀብ ምስ ረኣይዎ፡ ኣዝዮም ብዙሕ ሓጎስ ተሓጎሱ። 11ናብ ቤት ኣትዮም፡ ነቲ ሕጻን ምስ ማርያም ኣዲኡ ረኣይዎ፡ ፍግም ኢሎም ድማ ሰገድሉ። ሳጽኖም ከፊቶም ከኣ ወርቅን ዕጣንን ከርበን ገጸ በረኸተ ሃብዎ። 12ናብ ሄሮድስ ከይምለሱ፡ ብሕልሚ ምስ ተራእዮም ድማ፡ ብኻልእ መገዲ ናብ ሃገሮም ተመልሱ። 13ንሳቶም ምስ ሓለፉ፡ እንሆ፡ መልኣኽ እግዚኣብሄር ንዮሴፍ ብሕልሚ ተራእዮ፡ ሄሮድስ ነቲ ሕጻን ክቐትሎ ይደሊ ኣሎ እሞ፡ ተንስእ፡ ነቲ ሕጻንን ነዲኡን ሒዝካ ናብ ግብጺ ህደም፡ ክሳዕ ዝነግረካ ኸኣ ኣብኡ ጽናሕ፡ በሎ። 14ተንሲኡ፡ ነቲ ሕጻንን ነዲኡን ሒዙ፡ ብለይቲ ናብ ግብጺ ኸደ። 15እቲ እግዚኣብሄር ብነብዪ፡ ንወደይ ካብ ግብጺ ጸዋዕክዎ፡ ዝበሎ ምእንቲ ኽፍጸም ድማ፡ ሄሮድስ ክሳዕ ዝመውት ኣብኡ ጸንሐ። 16ሽዑ ሄሮድስ ሰብ ጥበብ ከም ዘላገጹሉ ምስ ረኣየ፡ ብዙሕ ኰረየ እሞ፡ ንዅሎም ሕጻናት ቤት ልሄምን ኣብ ኵሉ ጐደቦታት ንዝጸንሑን፡ ካብ ሰብ ጥበብ ኣርጊጹ ብዝሓተቶ ዘመን ወዲ ኽልተ ዓመትን ካብኡ ንታሕትን ንዘለዉ ልኢኹ ኣቕተለ። 17-18ሽዑ እቲ ብነብዪ ኤርምያስ፡ ኣብ ራማ ድምጺ ተሰምዐ፡ ዋይዋይታን ብዙሕ ብኽያትን። ራሄል ስለ ደቃ በኸየት፡ ተወዲኦም እዮም እሞ፡ ምድባስ ኣበየት፡ እተበሃለ ተፈጸመ። 19ሄሮድስ ምስ ሞተ፡ እንሆ ኣብ ግብጺ መልኣኽ እግዚኣብሄር ንዮሴፍ ብሕልሚ ተራእዮ፡ 20እቶም ህይወት ነዚ ሕጻን ዝደልዩ ሞይቶም እዮም እሞ፡ ተንስእ፡ ነዚ ሕጻንን ነዲኡን ሒዝካ፡ ናብ ምድሪ እስራኤል ኪድ፡ በሎ። 21ንሱ ድማ ተንሲኡ፡ ነቲ ሕጻንን ነዲኡን ሒዙ፡ ናብ ምድሪ እስራኤል መጸ። 22ኣርኬላዎስ ኣብ ክንዲ ኣቦኡ ሄሮድስ ከም ዝነገሰ ሰሚዑ ግና፡ ናብኡ ምኻድ ፈርሀ። ብሕልሚ ምስ ተገልጸሉ ድማ፡ ናብ ምድሪ ገሊላ ኸደ። 23እቲ ብነብያት፡ ናዝሬታዊ ኽበሃል፡ እተበሃለ ምእንቲ ኽፍጸም፡ ናዝሬት ናብ እትበሃል ዓዲ መጺኡ ተቐመጠ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ወን.ማቴዎስ ምዕራፍ 3
1-2በቲ ወርሓት እቲ ዮሃንስ መጥምቕ፡ መንግስተ ሰማያት ቀሪባ ኣላ እሞ፡ ተነስሑ፡ ኢሉ እናሰበኸ፡ ናብ በረኻ ይሁዳ መጸ። 3እቲ ብነብዪ ኢሳይያስ፡ ኣብ በረኻ ዝእውጅ ድምጺ ኣዋጅ ነጋሪ፡ ጎደና እግዚኣብሄር ጽረጉ፡ መገዱውን ኣቕንዑ፡ ኢሉ እተነግረሉ ንሱ እዩ። 4ክዳን ዮሃንስ ካብ ጸጉሪ ገመል ነበረ፡ ዕጣቕ ሕቝኡ ድማ ፈልቍ፡ ቀለቡ ኸኣ ኣንበጣን መዓር ሰንካልን ነበረ። 5ሽዑ የሩሳሌምን ኵላ ይሁዳን ብዘላ ሃገር ዙርያ ዮርዳኖስን ናብኡ መጸት። 6ሓጢኣቶም እናተኣመኑ ኸኣ፡ ኣብ ርባ ዮርዳኖስ ብእኡ ይጥመቑ ነበሩ። 7ካብ ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ብዙሓት ናብ ጥምቀቱ ኽመጹ ምስ ረአየ ግና በሎም፡ ኣቱም ውሉድ ኣትማን፡ ካብቲ ዝመጽእ ቍጥዓ ኸም እትመልቁኸ መን ሓበረኩም፧ 8 እምበርስከ ንንስሓ ዝበቅዕ ፍረ ግበሩ።9ብልብኹም፡ ኣብርሃም ኣቦ ኣሎና፡ ከም እትብሉ ኣይምሰልኩም። ንኣብርሃምሲ ኻብዚ ኣእማን እዚ ውሉድ ከተንስኣሉ፡ ንኣምላኽ ከም ዝከኣሎ፡ እብለኩም ኣሎኹ። 10ካብ ብሕጂ እኳ ማሕጸ ናብቲ ጕንዲ ኦም ተነቢሩ ኣሎ፡ እምበኣርሲ ጽቡቕ ፍረ ዘይፈሪ ዘበለ ዅሉ ኦም ይቝረጽ፡ ናብ ሓዊ ድማ ይድርበ። 11ኣነስ ንንስሓ ብማይ አጥምቐኩም ኣሎኹ፡ እቲ ድሕረይ ዝመጽእ ግና ካባይ ይሕይል እዩ፡ ኣነስ ኣሳእኑ ኽጸውር እኳ ኣይበቅዕን። ንሱ ብመንፈስ ቅዱስን ብሓውን ከጥምቐኩም እዩ። 12ዓውዱ ዘጽርየሉ መስአ ኣብ ኢዱ ኣለዎ፡ ሰርናዩ ኣብ ቈፎኡ ይእክብ፡ ነቲ ሓሰር ግና ብዘይጠፍእ ሓዊ ኸንድዶ እዩ። 13ሽዑ የሱስ ብዮሃንስ ኽጥመቕ፡ ካብ ገሊላ ናብ ዮርዳኖስ መጸ፡ 14 ዮሃንስ ግና፡ ንኣይ ብኣኻ ምጥማቕ የድልየኒ፡ ንስኻዶ ናባይ ትመጽእ፧ ኢሉ ኣበዮ። 15 የሱስ ከኣ፡ ኵሉ ጽድቂ ኽንፍጽም ይግባኣና እዩ እሞ፡ ሕጂስ ይኹን ደኣ ሕደግ፡ ኢሉ መለሰሉ። ድሕርዚ ፈቐደሉ። 16የሱስ ምስ ተጠምቀ፡ ብኡብኡ ኻብ ማይ ወጸ። እንሆ ኸኣ ሰማያት ተኸፍተ፡ መንፈስ ኣምላኽ ድማ ከም ርግቢ ወሪዱ፡ ኣብ ርእሱ ክቕመጥ ረኣየ። 17እንሆ ድማ ብእኡ ዝሰመርኩ ፍትዊ ወደይ እዚ እዩ፡ ዝብል ድምጺ ኻብ ሰማይ መጸ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ወን.ማቴዎስ ምዕራፍ 4
1ሽዑ መንፈስ ንየሱስ ፡ ብድያብሎስ ክፍተን ፡ ናብ በረኻ ኣውጽኦ። 2ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ምስ ጾመ፡ ድሕርዚ ጠመየ። 3እቲ ፈታኒ ድማ መጺኡ፡ ወዲ ኣምላኽ እንተ ዄንካስ፡ እዚ ኣእማን እንጌራ ክኸውን በል፡ በሎ። 4የሱስ ግና፡ ሰብ ካብ ኣፍ ኣምላኽ ብዝወጽእ፡ ኵሉ ቓል እምበር፡ ብንጌራ ጥራይ ኣይነብርን፡ ጽሑፍ እዩ ኢሉ መለሰሉ። 5ሽዑ ድያብሎስ ናብታ ቅድስቲ ኸተማ ወሲዱ፡ ኣብ ገምገም ቤት መቕደስ ደው ኣበሎ። 6እግርኻ ብእምኒ ኸይትዕንቀፍ፡ በእዳዎም ከልዕሉኻ፡ ንመላእኽቱ ምእንታኻ ይእዝዝ፡ ጽሑፍ ኣሎ እሞ፡ ወዲ ኣምላኽ እንተ ዄንካስ፡ ንታሕቲ ገጽካ ጽደፍ፡ በሎ። 7 የሱስ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣይትፈታተኖ፡ ድማ ጽሑፍ ኣሎ፡ በሎ። 8ድያብሎስ ከም ብሓድሽ ናብ ኣዝዪ ነዊሕ ከረን ወሲዱ፡ መንግስትታት ኵላ ዓለምን ክብረተንን ኣርኣዮ እሞ፡ 9 ፍግም ኢልካ እንተ ሰገድካለይ፡ እዚ ዅሉ ኽህበካ እየ፡ በሎ። 10ሽዑ የሱስ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ስገድ፡ ንእኡ በይኑ ድማ ተገዛእ፡ ጽሑፍ ኣሎ እሞ ኪድ ርሓቕ፡ ሰይጣን፡ በሎ። 11 ድሕርዚ ድያብሎስ ሓደጎ፡ እንሆ ድማ መላእኽቲ መጺኦም ኣገልግልዎ። 12የሱስ፡ ማእሰርቲ ዮሃንስ ሰሚዑ። ናብ ገሊላ ድሕር በለ። 13ናዝሬት ሓዲጉ ድማ፡ ኣብ ወሰን ዛብሎንን ንፍታሌምን፡ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ናብ ዘላ ቅፍርናሆም መጺኡ ተቐመጠ። 14 እቲ ብነብዪ ኢሳይያስ እተበህለ ክፍጸም፡ ከምዚ ዝብል፡ 15ምድሪ ዛብሎንን ምድሪ ንፍታሌምን፡ መገዲ ባሕሪ፡ ማዕዶ ዮርዳኖስ፡ ገሊላ ኣህዛብ፡ 16 ኣብ ጸልማት ዝነብር ህዝቢ ዓብዪ ብርሃን ረኣየ፡ ኣብ ዓዲ ሞትን ድኔኣን ንዝነብሩ ድማ ብርሃን ወጸሎም። 17የሱስ ካብኡ ንነጀው፡ መንግስተ ሰማይት ቀሪባ ኣላ እሞ፡ ተንስሑ፡ እናበለ ኽሰብኽ ጀመረ። 18 ኣብ ጥቓ ባሕሪ ገሊላ ክመላለስ ከሎ፡ ክልተ ኣሕዋት፡ ጴጥሮስ ተብሂሉ ዘሎ ስምኦንን እንድርያስን ሓዉን ገፈፍቲ ዓሳ ነበሩ እሞ፡ መርበቦም ናብ ባሕሪ ኽድርብዩ ረኣየ። 19 የሱስውን፡ ኣነ ድማ ገፈፍቲ ሰብ ክገብረኩም እየ፡ ንዑ ስዓቡኒ፡ በሎም። 20ብኡብኡ መርበቦም ሓዲጎም ሰዐብዎ። 21ካብኡ ሓሊፉ ኽልተ ኻልኦት ኣሕዋት፡ ያእቆብ ወዲ ዘብዴዎስን ዮሃንስ ሓውን፡ ምስ ዘብዴዎስ ኣቦኦም፡ መርበቦም ኣብ ጃልባ ኸዐርዩ ረኣየ እሞ ጸውዖም። 22ንሳቶም ከኣ ነታ ጃልባን ኣቦኦምን ሓዲጎም፡ ብኡብኡ ሰዓብዎ። 23የሱስ ድማ ኣብ ኵላ ገሊላ፡ ኣብ ቤት ጸሎቶም እናመሃረ ወንጌል መንግስቲውን እናሰበኸ፡ ኵሉ ሕማምን ኣብ ህዝቢ ዘሎ ኩሉ ድናሰን እናሕወየ ይዘውር ነበረ። 24ወሪኡውን ኣብ ኵላ ሶርያ ወጸ። ንዅሎም ሕሙማት ከኣ፡ በብዓይነቱ ሕማም ዘለዎምን ቃንዛን ኣጋንንቲ ዘለዎምን ሕማም ባርያ በብወርሒ ዝለዓሎምን መጻጉዓትን ናብኡ ኣምጽኡሉ፡ ንሱ ድማ ኣሕወዮም። 25ካብ ገሊላን ካብ ዓሰርተ ዓድን ካብ የሩሳሌምን ካብ ይሁዳን ካብ ማዕዶ ዮርዳኖስን ከኣ ብዙሓት ሰብ ሰዓብዎ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ወን.ማቴዎስ ምዕራፍ 5
1ብዙሕ ህዝቢ ምስ ረኣየ፡ ናብ ከረን ደየበ። ምስ ተቐመጠ ኸኣ፡ ደቀ መዛሙርቱ ናብኡ ቐረቡ። 2ኣፉ ኸፈተ፡ ከምዚ እናበለ ድማ መሃሮም፡ 3ብመንፈስ ድኻታት፡ መንግስተ ሰማያት ናቶም እያ እሞ፡ ብጹኣን እዮም። 4ዝጕህዩ፡ ምጽንናዕ ክረኽቡ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም። 5ዓቃላት፡ ንምድሪ ክወርስዋ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም። 6 ጽድቂ ዝጠምዩን ዝጸምኡን፡ ክጸግቡ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም። 7መሓርቲ፡ ምሕረት ክረኽቡ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም። 8ጹሩያት ልቢ፡ ንኣምላኽ ክርእይዎ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም። 9ገበርቲ ሰላም፡ ውሉድ ኣምላኽ ክበሃሉ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም። 10ምእንቲ ጽድቂ ዝስደዱ፡ መንግስተ ሰማያት ናቶም እያ እሞ፡ ብጹኣን እዮም። 11 እንተ ጸረፉኹምን እንተ ሰጐጉኹምን ምእንታይ ድማ ክፉእ ዘበለ ብሓሶት እንተ ተዛረቡልኩም፡ ብጹኣን ኢኹም። 12 ከምኡ ኸኣ ቅድሜኹም ንዝነበሩ ነብያት ሰጕጎምዎም እዮም እሞ፡ ኣብ ሰማያት ዓስብኹም ብዙሕ ስለ ዝዀነ፡ ተሓጐሱ ባህውን ይበልኩም። 13ንስኻትኩም ጨው ምድሪ ኢኹም። ጨው መቐረቱ እንተ ኸደኸ፡ ብምንታይ ይምቅር፧ ብሰብ ክርገጽ ንግዳም ምድርባዩ እንተ ዘይኰይኑ እምበር፡ ዝጠቅም የብሉን። 14ንስኻትኩም ብርሃን ዓለም ኢኹም። ኣብ ከረን ዘላ ኸተማ ኽትክወል ኣይከኣላን እዩ። 15መብራህቲ፡ ኣብ ቤት ንዘሎ ኹሉ ከብርህ፡ ኣብ ቀዋሚ ቐንዴል ክሰቕልዎ እምበር፡ ኣብ ትሕቲ ኸፈር ከንብርዎ ኣየብርሁን እዮም። 16ከምኡ ኸኣ ነቲ ጽቡቕ ግብርኹም ርእዮም፡ ኣብ ሰማያት ንዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ከመስግንዎ፡ ብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ። 17ንሕጊ ዀነ ወይስ ንነብያት ክፍጽሞም እምበር፡ ክስዕሮም ዝመጻእኩ ኣይምሰልኩም። 18ሰማይን ምድርን ክሳዕ ዝሓልፍ፡ ኵሉ ኽሳዕ ዝፍጸም፡ ካብ ሕግስ የውጣ ወይስ ሓንቲ ሕንጣጥ ከም ዘይትሓልፍ፡ ብሓቂ ይብለኩም ኣለኹ። 19እምብኣርሲ ኻብዘን ናእሽቱ ትእዛዛት ሓንቲ ዝሰዓረ፡ ከምእውን ንሰብ ዝመሃረ፡ ኣብ መንግስተ ሰማያት ንእሽቶ ኽበሃል እዩ። እናገበረ ዝምህር ግና፡ ንሱ ኣብ መንግስተ ሰማያት ዓብዪ ኽበሃል እዩ። 20ጽድቅኹም ካብ ጽድቂ ጻሓፍትን ፈሪሳውያንን ኣዝዩ እንተ ዘይበዝሐ፡ ኣብ መንግስተ ሰማያት ከቶ ኣይትኣትዉን ኢኹም፡ ኢለ እነግረኩም ኣሎኹ። 21ነቶም ቀዳሞት፡ እቲ ዝቐተለ ኽፍረዶ እዩ እሞ፡ ኣይትቕተል፡ ከም እተባህለሎም ሰሚዕኩም ኣሎኹም። 22ኣነ ግና፡ ንሓዉ ዝቝጥዖ ዘበለ ኹሉ ኽፍረዶ እዩ፡ ንሓዉ፡ ኣታ ተኸዳን ጨርቂ፡ ዝበሎ ድማ ኣብ መጋባእያ ኽፍረዶ፡ ኣታ ዓሻ፡ ዝብሎውን ንገሃነም ሓዊ ኽፍረዶ እዩ፡ እብለኩም እሎኹ። 23እምብኣርከ መባእካ ናብ መሰውኢ እንተ ኣምጻእካ፡ ሓውካ ሓዚኑልካ ምህላዉ ኸኣ እንተ ሓሰብካ፡ 24ነቲ መባእካ ኣብኡ ኣብ ቅድሚ መሰውኢ ሕደጎ፡ ኪድ ቅድም ምስቲ ሓውካ ተዓረቕ፡ ዳሓር ድማ ተመሊስካ መባእካ ኣቕርብ። 25ምስ መባእስትኻ ድማ ገና ኣብ መገዲ ኸሎኻ፡ ቀልጢፍካ ምስኡ ተዓረቕ። እንተ ዘይኰነስ እቲ መባእስትኻ ንፈራዲ ኣሕሊፉ ኸይህበካ፡ ፈራዲውን ንጊልያኡ። ናብ ቤት ማእሰርቲ ኸኣ ትኣቱ። 26እታ መወዳእታ ቆድራንቴን ክሳዕ እትፈዲ፡ ካብኣ ኸም ዘይትወጽእ፡ ብሓቂ እብለካ ኣሎኹ። 27ነቶም ቀዳሞት፡ ኣይትዘሙ፡ ከም እተባህለሎም፡ ሰሚዕኩም ኣሎኹም። 28ኣነ ግና ንሰበይቲ ክብህጋ ዝጥምታ ዅሉ ብልቡ ፈጺሙ ኣብኣ ዘመወ፡ እብለኩም ኣሎኹ። 29የማነይቲ ዓይንኻ እንተ ኣስሓተትካ፡ ካባኻ ጐጥጕጥካ ደርብያ። ብዘሎ ስጋኻ ኣብ ገሃነም ካብ ዝኣቱስ፡ ሓንቲ ኣካልካ እንተ ጠፍአት ይሕሸካ። 30የማነይቲ ኢድካ እንተ ኣስሓተትካውን፡ ካባኻ ቘሪጽካ ደርብያ። ብዘሎ ስጋኻ ኣብ ገሃነም ካብ ዝኣቱስ፡ ሓንቲ ኣካልካ እንተ ጠፍአት ይሕሸካ። 31ንሰበይቱ ዝፈትሓ፡ ጽሕፈት መፍትሒኣ ይሃባ፡ ተባህለ። 32ኣነ ግና፡ ብዘይ ምኽንያት ዝሙት ንሰበይቱ ዝፈትሓ ዘበለ ዅሉ፡ ዘማዊት ገበራ፡ እቲ ፍትሕቲ ዘእቱ ድማ ዘመወ፡ እብለኩም ኣሎኹ። 33ድማ ነቶም ቀዳሞት፡ ማሕላኻ ንእግዚኣብሄር ሃቦ እምበር፡ ብሓሶት ኣይትምሓል፡ ከም እተባህለ ሰሚዕኩም ኣሎኹም። 34ኣነ ግና እብለኩም ኣሎኹ፡ ብሰማያት ኰነ፡ ዝፋን ኣምላኽ እዩ እሞ፡ 35ብምድሪ ዀነ፡ መርገጽ እግሩ እያ እሞ፡ ብየሩሳሌም ኰነ፡ ከተማ እቲ ዓብዩ ንጉስ እያ እሞ፡ ከቶ ኣይትምሓሉ። 36ካብ ጸጉሪ ርእስኻ ሓንቲ ኸተጻዕዱ ወይስ ከተጸልም ኣይትኽእልን ኢኻ ኣሞ፡ ብርእስኻ እኳ ኣይትምሓል። 37ነገርኩምሲ፡ እወ፡ እወ፡ ኣይኰነን፡ ኣይኰነን ደኣ ይኹን። ካብዚ ዝበዝሐ ኻብቲ ኽፉእ እዩ። 38ዓይኒ ኽንዲ ዓይኒ፡ ስኒ ኽንዲ ስኒ፡ ከም እተባህለ ሰሚዕኩም ኣሎኹም። 39ኣነ ግና እብለኩም ኣሎኹ፡ ንኽፉእ ኣይትቃወምዎ። የማነይቲ መልትሕካ ንዝወቕዓካ ግና፡ እታ ኻላአይቲውን ምለሰሉ። 40ነቲ ክማጐተካ፡ ቀምሽካ ኸኣ ኽወስድ ዝደሊ፡ እታ ኽዳንካውን ሕደገሉ። 41ሓደ ምዕራፍ ንዝሰሓበካ፡ ክልተ ምዕራፍ ምስኡ ኺድ። 42ንዝለመነካ ሃቦ፡ ካባኻ ኽልቃሕ ንዝደሊውን ኣይትኽልኣዮ። 43ብጻይካ ፍቶ፡ ጸላኢኻ ጽላእ፡ ከም እተባህለ ሰሚዕኩም ኣሎኹም። 44-45ኣነ ግና እብለኩም ኣሎኹ፡ ጸላእትኹም ፍተዉ፡ ንዝረግሙኹም መርቑ። ውሉድ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ክትኰኑ፡ ንሱ ንኽፉኣትን ንሕያዎትን ጸሓይ የብርቕ፡ ንጻድቃንን ንሓጥኣንን ድማ ዝናም የዝንም እዩ እሞ፡ ንዚጸልእኹም ጽቡቕ ግበሩ፡ ስለቶም ዝጸርፉኹምን ዝሰጉኹምን ጸልዩ። 46ነቶም ዝፈትዉኹም እንተ ፈቶኹም፡ እንታይ ዓስቢ ኣሎኩም፧ ተገውትስ ከምኡዶ ይገብሩ ኣይኰኑን፧ 47ነሕዋትኩም ጥራይ ብጽቡቕ እንተ ተቐበልኩምከ፡ እንታይ ሓለፋ ገበርኩም፧ ኣህዛብሲ ኸምኡዶ ይገብሩ ኣየለዉን፧ 48እምብኣርከ ኸምቲ ሰማያዊ ኣቦኹም ፍጹም ዝዀነ፡ ንስኻትኩምውን ፍጹማት ኩኑ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ወን.ማቴዎስ ምዕራፍ 6
1ጽድቅኹም፡ ኣብ ቅድሚ ሰብ ምእንቲ ኽትርኣዩ፡ ከይትገብሩ ተጠንቀቑ። እንተ ዘይኰነስ፡ ኣብቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኹም ዓስቢ የብልኩምን። 2እምብኣርከ ንስኻ ኽትምጽውት ከሎኻ፡ ከምቲ እቶም ግቡዛት፡ ብሰብ ምእንቲ ኽንኣዱ፡ ኣብ ኣባይቲ ጸሎትን ኣብ ኣደባብያትን ዝገብርዎ፡ ኣብ ቅድሜኻ መለኸት ኣይትንፋሕ። ዓስቦም ከም ዝወሰዱ፡ ብሓቂ እበለኩም ኣሎኹ። 3-4ንስኻስ፡ ምጽዋትካ ብሕቡእ ክኸውን፡ እቲ ብሕቡእ ዝርኢ ኣቦኻ ድማ ብግህዶ ክኽሕሰካ፡ ክትምጽውት ከሎኻ የማነይትኻ እትገብሮ፡ ጸጋመይትኻ ኣይትፍለጦ። 5ንስኻትኩም ክትጽልዩ ኸሎኹም፡ እቶም ግቡዛት ብሰብ ምእንቲ ኽርኣዩ፡ ኣብ ኣባይቲ ጸሎትን ኣብ ቃራናታት መገዲን ደው ኢሎም ክጽልዩ ይፈትዉ እዮም እሞ፡ ከማታቶም ኣይትኹኑ። ዓስቦም ከም ዝወሰዱ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 6ንስኻስ ክትጽሊ ኸሎኻ፡ ናብ ቤትካ እቶ፡ ማዕጾኻ ዕጾ፡ ነቲ ብሕቡእ ዘሎ ኣቦኻ ለምኖ። እቲ ብሕቡእ ዝርኢ ኣቦኻ ድማ ብግህዶ ክኽሕሰካ እዩ 7ክትጽልዩ ኸሎኹም ከኣ፡ ኣህዛብ ብምብዛሕ ዘረባኦም ዝስምዑ ይመስሎም እዩ እሞ፡ ከማታቶም ዘረባ ኣይተብዝሑ። 8እምብኣርስከ ኣቦኹም ከይለመንኩምዎ፡ ዘድልየኩም ይፈልጥ እዩ እሞ፡ ኣይትምሰልዎም። 9ንስኻትኩምሲ ኸምዚ ኢልኹም ደኣ ጸልዩ፡ ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና፡ ስምካ ይቀደስ። 10መንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን። 11ናይ ዕለት እንጌራና ሎሚ ሃበና። 12 ንሕና ንዝበደሉና ኸም ዝሓደግናሎም፡ በደልና ሕደገልና። 13ካብ ክፉእ ኣድሕነና እምበር፡ ናብ ፈተና ኣይተእትወና። መንግስትን ሓይልን ክብርን ንዘለኣለም ናትካ እዩ እሞ፡ እሜን። 14ንሰብ በደሎም እንተ ሓደግኩምሎም፡ ንኣኻትኩም ድማ ናይ ሰማይ ኣቦኹም ክሓድገልኩም እዩ። 15ንሰብ በደሎም እንተ ዘይሓደግኩምሎም ግና፡ ንኣኻትኩም ድማ ኣቦኹም ኣይሓድገልኩምን እዩ። 16ክትጸሙ ኸሎኹም፡ እቶም ግቡዛት፡ ጽዋሞት ምዃኖም ብሰብ ምእንቲ ኽርኣዩ፡ ገጾም የጸምልዉ እዮም እሞ፡ ከማታቶም ጽምልዋት ኣይትኹኑ። ዓስቦም ከም ዝወሰዱ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 17-18ንስኻስ ክትጸውም ከሎኻ፡ ጽዋማይ ምዃንካ በቲ ኣብ ሕቡእ ዘሎ ኣቦኻ ደኣ እምበር፡ ብሰብ ምእንቲ ኸይትርአ፡ ርእስኻ ተለኸ፡ ገጽካውን ተሓጸብ። እቲ ብሕቡእ ዝርኢ ኣቦኻ ድማ ብግህዶ ክኽሕሰካ እዩ። 19-21መዝገብካ ኣብ ዘለዎ፡ ኣብኡ ድማ ልብኻ ኣሎ። ስለዚ ብልዒ ኣብ ዘይበልዖ፡ ነቐዝ ኣብ ዘየንቅዞ፡ ሰረቕቲ ዅዒቶም ኣብ ዘይሰርቅዎ ኣብ ሰማይ ደኣ መዝገብ ግበሩ እምበር፡ ብልዒ ኣብ ዝበልዖ፡ ነቐዝ ኣብ ዘንቅዞ፡ ሰረቕቲ ዅዒቶም ኣብ ዝሰርቅዎ ኣብ ምድሪ ንኣኻትኩም መዝገብ ኣይትግበሩ። 22ናይ ስጋ መብራህቲ ዓይኒ እያ። ዓይንኻ ጥዕይቲ እንተ ዀነት፡ ብዘሎ ስጋኻ ብሩህ ይኸውን። 23ዓይንኻ ሕምምቲ እንተ ዀነት ግና፡ ብዘሎ ስጋኻ ጸልማት ይኸውን። እምብኣርሲ እቲ ኣባኻ ዘሎ ብርሃን ካብ ጸልመተ፡ ጸልማቱስ ክንደይ ዓብዪ ይኸውን። 24ንኽልተ ጐይተት ክግዛእ ዝኽእል የልቦን። ወይ ነቲ ሓደ ጸሊኡ፡ ነቲ ሓደ ይፈቱ። ወይ ከኣ ነቲ ሓደ ተኣዚዙ፡ ነቲ ሓደ ይንዕቕ። ንኣምላኽን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይዀነልኩምን እዩ። 25ካብ መብልዕሲ ህይወትዶ ኣይትበልጽን፡ ካብ ክዳንስ ስጋዶ ኣይበልጽን፡ ስለዚ ንህይወትኩም ብትበልዕዎን ብትሰትይዎን ወይስ ንስጋኹም ብትኽደንዎን ኣይትጨነቑ፡ እብለኩም ኣሎኹ። 26ነዕዋፍ ሰማይ ተመልከቱ፡ ናይ ሰማይ ኣቦኹም ደኣ ይምግበን እምበር፡ ኣይዘርኣ፡ ኣይዓጽዳ፡ ኣብ ማዕከንውን ኣይእክባን እየን። ንስኻትኩምዶ ግዳ ኻባታተን ብዙሕ ኣይትበልጹን፡ 27 ካባኻትኩምከ ተጨኒቑ ኣብ ልዕሊ ቝመቱ ሓንቲ እመት ክውስኽ ዝኽእል መን ኣሎ፡ 28ከመይከ ብናይ ክዳን እትጭነቝ፡ ንዕምባታት መሮር ከመይ ኢሎም ከም ዝዓብዩ ተመልከቱ፡ ኣይደኽሙ፡ ኣይፈትሉ። 29 ምስናይዚ ግና ሰሎሞን እኳ በቲ ኹሉ ኽብሩ ኸም ሓደ ኻባታቶም ከም ዘይተኸደነ፡ እብለኩም ኣሎኹ። 30ኣምላኽ ነቲ ሎሚ ዘሎ፡ ጽባሕ ግና ናብ እቶን ዝድርበ ሳዕሪ መሮር ከምዚ ገይሩ ዝኸድኖ ኻብ ኰነ ደኣ፡ ኣቱም ጕዱላት እምነት፡ ንኣኻትኩምዶ ግዳ ኣብሊጹ ኣይከድነኩምን፡ 31እምበርከ እንታይ ንበልዕ፡ እንታይ ንሰቲ፡ እንታይ ንኽደን፧ ኢልኹም ኣይትጨነቑ። 32ነዚ ኹሉስ ኣህዛብ ይደልይዎ እዮም እሞ፡ ንኣኻትኩም እዚ ኹሉ ኸም ዘድልየኩም፡ ናይ ሰማይ ኣቦኹም ይፈልጥ እዩ። 33ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ፡ እዚ ኹሉ ድማ ይውሰኸልኩም። 34 ጽባሕ ንርእሳ ትጭነቕ እያ እሞ፡ ንጽባሕ ኢልኩም ኣይትጨነቑ። ንመዓልቲ ኽፍኣታ ይኣኽላ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ወን.ማቴዎስ ምዕራፍ 7
1-2ብዝፈረድኩምሉ ፍርዲ ክፍረደኩም፡ ብዝሰፈርኩምሉ መስፈርውን ክስፈረልኩም እዩ እሞ ከይፍረደኩም ኣይትፍረዱ። 3ኣብ ዓይንኻ ዘሎ ጕንዲ ዘይፈለጥካ፡ ንምንይታይከ ኣብ ዓይኒ ሓውካ፡ ዘሎ በሰር እትርኢ፧ 4ወይስ ከመይ ጌርካ ንሓውካ ካብ ዓይንኻ በሰር ከውጽኣልካስ ሕደገኒ፡ ትብሎ፡ እንሆ፡ ጕንዲ ኣብ ዓይንኻ ኣሎ። 5ኣታ ግብዝ፡ ቅድም ካብ ዓይንኻ ጕንዲ ኣውጽእ፡፡ሽዑ ኻብ ዓይኒ ሓውካ በሰር ንምውጻእ ኣጸቢቕካ ትርኢ። 6እቲ ቅዱስ ነኽላባት ኣይትሃቡ። ዕንቍኹምውን ኣብ ቅድሚ መፋልስ ኣይትደርብዩ፡ በእጋሮም ከይረግጽዎ እሞ፡ ተመሊሶም ከይትርትሩኹም። 7-8ዝለመነ ኹሉ ይቕበል እዩ፡ ዝደለየ ድማ ይረክብ፡ ማዕጾ ኳሕኳሕ ንዘበለውን ይኽፈተሉ እዩ እሞ፡ ለምኑ ይውሃበኩም። ድለዩ፡ ትረኽቡ። ማዕጾ ኳሕኳሕ ኣብሉ፡ ይኽፈተልኩም እዩ። 9-10ካባኻትኩም፡ ወዱ እንጌራ እንተ ለመኖ እምኒ ዝህቦ፡ ወይስ ዓሳ እንተ ለመኖ፡ ተመን ዝህቦ እንታዋይ ሰብኣይ እዩ፧ 11እምበኣርከ ንስኻትኩም እኳ፡ ክፉኣት ክነስኹም፡ ንደቅኹም ጽቡቕ ህያብ ምሃብ ካብ ፈለጥኩም፡ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦኹም ግዳ ንዝልምንዎ ኽንደይ ኣብዚሑ ጽቡቅ ዘይህቦም። 12እምበኣርሲ ኦሪትን ነብያትን እዚ እዩ እሞ፡ ከምቲ ሰብ ክገብረልኩም እትደልይዎ ዘበለ ኹሉ ንስኻትኩምውን ከምኡ ግበሩሎም። 13-14እታ ናብ ጥፍኣት እትወስድ ደገ ርሕብቲ፡ መገዳውን ገፋሕ እያ፡ እቶም ብእኣ ዝኣትዉ ድማ ብዙሓት እዮም። እታ ናብ ህይወት እትወስድ ደገ ግና ጸባብ፡ መገዳውን ቀጣን እያ፡ እቶም ዝረኽብዋ ኸኣ ሒደት እዩም እሞ፡ በታ ጸባብ ደገ እተዉ። 15ካብ ነብያት ሓሶት ተጠንቀቑ ውሽጦም ዝምንጥሉ ተዃሉ ኽነሶምሲ፡ ክዳን ኣባጊዕ ተኸዲኖም እዮም ዝመጽኹም። 16ብፍሪኣም ከተለልይዎም ኢኹም። ካብ እሾኽዶ ወይኒ ይቕንጠብ፡ ካብ ተዀርባስ በለስ፧ 17ከምኡኸስ እቲ ጽቡቕ ኦም ጽቡቕ ፍረ ይፈሪ፡ እቲ ኽፉእ ኦም ከኣ ክፉእ ፍረ ይፈሪ። 18ጽቡቕ ኦም ክፉእ ፍረ ኽፈሪ፡ ወይስ ክፉእ ኦም ጽቡቕ ፍረ ኽፈሪ ኣይኰነሉን እዩ። 19ጽቡቕ ፍረ ዘይፈሪ ዘበለ ኹሉ ኦም ይቑረጽ፡ ናብ ሓዊ ድማ ይድርበ። 20እምበርከ ብፍሪኦም ከተለልይዎም ኢኹም። 21ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦይ ዝገብር እምበር፡ ጐይታይ፡ ጐይታይ ፡ ዝብለኒ ኹሉ፡ መንግስተ ሰማይ ዝኣቱ ኣይኰነን። 22በታ መዓልቲ እቲኣ ብዙሓት፡ ጐይታይ፡ ጐይታይ ፡ ብስምካ እተነበናዶ ኣይኰናን፧ ኣጋንንትስ ብስምካዶ ኣየውጻእናን፧ ብስምካስ ብዙሕ ሓይሊዶ ኣይገበርናን፧ ክብሉኒ እዮም። 23ሽዑ ኣነ፡ ኣቱም ገበርቲ ዓመጻ፡ ከቶ ኣይፈልጥኩኹምን፡ ካባይ ርሓቑ፡ ክብሎም እየ። 24ነዚ ነገረይ ሰሚዑ ዝገብሮ ኹሉ፡ ቤቱ ኣብ ከውሒ ዝሰርሐ ብልሂ ሰብኣይ ይመስል። 25ዝናም ዘነመ፡ ውሒዝ ወሓዘ፡ ንፋስውን ነፈሰ፡ ነታ ቤት ከኣ ደፍእዋ። ኣብ ከውሒ ተሰሪታ እያ እሞ፡ ኣይወደቐትን። 26ነዚ ነገረይ ሰሚዑ ዘይገብሮ ኹሉ ኸኣ ቤቱ ኣብ ሑጻ ዝሰርሐ ዓሻ ሰብኣይ ይመስል። 27ዝናም ዘነመ፡ ውሒዝ ወሓዘ፡ ነፋስውን ነፈሰ፡ ነታ ቤት ደፍእዋ፡ ወደቐት፡ ኣዋዳድቓኣ ድማ ዓብዪ ዀነ። 28-29ኰነ ድማ፡ የሱስ ነዚ ነገርዚ ምስ ወድአ፡ ከም ጸሓፍቶም ዘይኰነስ፡ ስልጣን ከም ዘለዎ ይምህሮም ነበረ እሞ፡ እቶም ህዝቢ ብምህሮኡ ተገረሙ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ወን.ማቴዎስ ምዕራፍ 8
1ካብ ከረን ክወርድ ከሎ፡ ብዙሕ ህዝቢ ሰዓቦ። 2እንሆ፡ ለምጻም መጺኡ፡ ጐይታይ፡ እንተ ትፈቱስ፡ ከተንጽሃኒ ትኽእል ኢኻ፡ እናበለ ሰገደሉ። 3ኢዱ ዘርጊሑ፡ ፈትየ ኣሎኹ ንጻህ፡ ኢሉ ተንከዮ። ብኡብኡ ኻብ ለምጹ ነጽሀ። 4የሱስ ድማ ንሓደ እኳ ኸይትነግር ተተንቀቕ። ኪድ ደኣ፡ ርእስኻ ንኻህናት ኣርኢ፡ ናኣታትቶም ንምስክር ድማ እቲ ሙሴ ዝኣዘዞ መባእ ኣቕርብ፡ በሎ። 5-6ናብ ቅፍርናሆም ምስ ኣተወ፡ ሓለቓ ሚእቲ ናብኡ መጺኡ፡ ጐይታይ ቈልዓይ መጽጕዑ ኣብ ገዛይ ወዲቑ፡ ብዙሕ ከኣ ይቕንዞ ኣሎ፡ እናበለ ለመኖ። 7የሱስ ድማ፡ እኔኹ፡ መጺአ ኸሕውዮ እየ፡ በሎ። 8እቲ ሓለቓ ሚእቲ ኸምዚ ኢሉ መለሰሉ፡ ጐይታይ፡ ኣነ፡ ንስኻ ናብ ቤተይ ክትኣቱ፡ ኣይበቕዕን፡ ኣየ እሞ፡ ሓንቲ ቓል ጥራይ ደኣ በል፡ ቈልዓይ ድማ ይሓዊ። 9ኣነ ኸኣ ኣብ ትሕቲ መላኺ ዝግዛእ፡ ብትሕተይውን ጭፍራ ዘሎኒ ሰብ እየ እሞ፡ ነዚ ኺድ እብሎ፡ ይኸይድ፡ ንሓደ ኻልእ ከኣ ንዓ፡ ይመጽእ። ንባርያይውን እዚ ግበር፡ ይገብር ከኣ። 10የሱስ ሰሚዑ ኣስተንከረ፡ ነቶም ዝስዕብዎ ዘለዉ ድማ በሎም፡ ከምዚ ዝበለት ዓባይ እምነትሲ ኣብ እስራኤል እኳ ኸም ዘይረኸብኩ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 11ካብ ምብራቕን ካብ ምዕራብን ብዙሓት ክመጹ እዮም፡ ኣብ መንግስተ ሰማያት ከኣ ምስ ኣብርሃም ይስሃቅን ያእቆብን ኣብ መኣዲ ክቕመጡ እዮም። 12ደቂ መንግስቲ ግና ናብ ናይ ወጻኢ ጸልማት ክድርበዩ እዮም። ኣብኡ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ክኸውን እዩ፡ እብለኩም ኣሎኹ። 13የሱስ ነቲ ሓለቓ ሚእቲ፡ ኪድ፡ ከም ዝኣመንካዮ ይኹነልካ፡ በሎ። እቲ ቘልዓ ከኣ በታ ሰዓት እቲኣ ሓወየ። 14የሱስ ናብ ቤት ጴጥሮስ ምስ ኣተወ፡ ንሓማት ጴጥሮስ ብዓሶ ተትሒዛ ደቂሳ ረኣያ። 15ኢዳ ተንከያ፡ ዓሶኣውን ሓደገታ። ተንሲኣ ኸኣ ኣገልገለቶ። 16-17ምሸት ምስ ኰነ፡ ኣጋንንቲ ዝሓደርዎም ብዙሓት ናብኡ ኣምጽኡ። እቲ ብነብዪ ኢሳይያስ፡ ንሱ ድኻምና ወሰደ፡ ሕማምናውን ጾረ፡ እተበሃለ ምእንቲ ኽፍጸም፡ ብቓሉ መናፍስቲ ኣውጽአ፡ ሕማም ንዘለዎም ኵሎም ድማ ኣሕወዮም። 18የሱስ ብዙሕ ህዝቢ ኸቢብዎ ምስ ረኣየ፡ ንማዕዶ ክሳገሩ ኣዘዘ። 19ሓደ ጸሓፊ መጺኡ፡ መምህር፡ ናብ እትኸዶ ዘበለ ኹሉ ኽስዕበካ፡ በሎ። 20የሱስ ድማ፡ ንወኻሩ ጕድጓድ ኣለወን ነዕዋፍ ሰማይ ድማ ዘጽልላሉ። ንወዲ ሰብ ግና ርእሱ ዘጸግዓሉ እኳ የብሉን፡ በሎ። 21ሓደ ኻልእ ካብ ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ፡ ጐይታይ፡ ከይደ ነቦይ ክቐብሮ ፍቐደለይ፡ በሎ። 22የሱስ ግና፡ ስዓበኒ ደኣ፡ ንምዉታትሲ ምዉታቶም ይቕበርዎም ሕደጎም፡ በሎ። 23ናብ ጃልባ ምስ ኣተወ፡ ደቀ መዛሙርቱ ሰዓብዎ። 24እንሆ ኸኣ፡ ማዕበል ነታ ጃልባ ኽሳዕ ዘጐልብባ፡ ኣብቲ ባሕሪ ዓብዪ ምንዋጽ ኰነ። ንሱ ግና ደቂሱ ነበረ። 25ደቀ መዛሙርቱ ቐሪቦም፡ ጐይታይ፡ ጠፋእና፡ ኣድሕነና፡ እናበሉ ኣተንስእዎ። 26ንሱ ኸኣ፡ ኣቱም ጕዱላት እምነት፡ ከመይከ እትፈርሁ፧ በሎም። ሽዑ ተንሲኡ ንንፋስ ንባሕርን ገንሖም። ዓብዪ ህድኣት ከኣ ዀነ። 27እቶም ሰብ ከኣ፡ እዚ፡ ንፋስን ባሕርን ዝእዘዙሉስ፡ መን ኰን ይኸውን፧ ኢሎም ኣስተንከሩ። 28ናብ ምድሪ ጌርጌሴኖን ምስ ተሳገሩ፡ ኣጋንንቲ ዝሓደርዎም ኽልተ ሰብ ካብ መቓብር ወጺኦም ተጓነፍዎ። ንሳቶም፡ ሓደ እኳ በታ መገዲ ኣቲኣ ምሕላፍ ክሳዕ ዝስእን፡ ኣዝዮም ክፉኣት ነበሩ። 29እንሆ ኸኣ፡ የሱስ ወዲ ኣምላኽ፡ ምሳኻ እሞ እንታይ ኣሎና፧ ቅድሚ ግዜኡ ኽትሳቕየናዶ ናብዚ መጻእካ፧ እናበሉ ጨርሑ። 30ካባታቶም ርሕቕ ኢሉ ብርቱዕ መጓሰ ሓሰማታት ይበልዕ ነበረ። 31እቶም ኣጋንንቲ ድማ፡ እተውጻኣና እንተ ዄንካስ፡ ናብዚ መጓሰ ሓሰማታት ክንኣቱ ፍቐደልና፡ ኢሎም ለመንዎ። 32ንሱ ኸኣ፥ ኪዱ፡ በሎም። ወጺኦም ድማ ናብተን ሓሰማታት ኣተዉ። እንሆ ኸኣ፡ ብዘሎ እቲ መጓሰ ኻብ ጸድፊ ነፊጹ ናብ ባሕሪ ኣተወ፡ ኣብቲ ማይ ከኣ ኵምም በለ። 33እቶም ጓሶት ሃዲሞም፡ ናብ ዓዲ ኣተዉ፡ በቲ ዝዀነ ኹሉን ብናይቶም ኣጋንንቲ ዝነበርዋምን ከኣ ኣውረዩ። 34እንሆ ድማ፡ ብዘላ እታ ዓዲ ንየሱስ ክትራኸቦ ወጸት። ምስ ረኣይዎ ኸኣ፡ ካብ ወሰን ምድሮም ከግልስ ለመንዎ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ወን.ማቴዎስ ምዕራፍ 9
1ናብ ጃልባ ኣትዩ ተሳገረ፡ ናብ ዓዱውን መጸ። 2እንሆ ኸኣ፡ መጻጕዕ ሰብኣይ ብዓራት ጾይሮም ናብኡ ኣምጽእዎ። የሱስ እምነቶም ርእዩ፡ ነቲ መጻጕዕ፡ ወደየ ኣጆኻ፡ ሓጢኣትካ ተሓዲጉልካ፡ በሎ። 3እንሆ ኸኣ፡ ሓያሎ ኻብቶም ጸሓፍቲ ብልቦም፡ እዚ ይጻረፍ ኣሎ፡ በሉ። 4የሱስ ድማ ሓሳባቶም ፈሊጡ በለ፡ ንምታይ ብልብኹም ክፉእ ትሓስቡ ኣሎኹም፧ 5ኣየናይ ይቐልል፡ ሓጢኣትካ ተሓዲጉልካ ምባልዶ፡ ወይ ተንስእ እሞ ኪድ ምባል፧ 6ንወዲ ሰብ ግና ሓጢኣት ክሓድግ ኣብ ምድሪ ስልጣን ከም ዘለዎ ምእንቲ ኽትፈልጡ፡ ሽዑ ነቲ መጻጕዕ፡ ተንስእ እሞ ዓራትካ ኣልዒልካ ናብ ቤትካ ኺድ፡ በሎ። 7ተንሲኡ ናብ ቤቱ ኸደ። 8እቶም ህዝቢ እዚ ርእዮም ፈርሁ። ንኣምላኽ ድማ ከምዚ ዝበለ ስልጣን ንሰብ ብምሃቡ ኣመስገንዎ። 9የሱስ ካብኡ ምስ ሓለፈ፡ ማቴዎስ ዝብልዎ ሰብኣይ ኣብቲ በሪ ተጎ ተቐሚጡ ረኣየ እሞ፡ ስዓበኒ፡ በሎ። ተንሲኡ ኸኣ ሰዓቦ። 10ኰነ ኸኣ፡ ኣብ ቤቱ ኣብ መኣዲ ምስ ተቐመጠ፡ እንሆ፡ ብዙሓት ተገውትን ሓጥኣንን ምስ የሱስን ምስ ደቀ መዛሙርቱን ተቐመጡ። 11ፈሪሳውያን ከኣ ርእዮም ንደቀ መዛሙርቱ፡ መምህርኩምሲ ስለምንታይ እዩ ምስ ተገውትን ሓጥኣንን ዝበልዕ፧ በልዎም። 12የሱስ ግና ሰሚዑ፡ ንሓኪምሲ ሕሙማት እምበር፡ ጥዑያት ኣይደልይዎን። 13ኣነ ሓጥኣን እምበር፡ ጻድቃን ክጽውዕ ኣይመጻእኩን እሞ፡ ምሕረት እፈቱ፡ መስዋእቲ ኣይኰነን፡ ዝብል እንታይ ምዃኑ፡ ኪዱ ተምሃሩ፡ በሎም። 14ሽዑ ደቀ መዛሙርቲ ዮሃንስ፡ ስለምንታይ ንሕናን ፈሪሳውያንን ብዙሕ ንጸውም፡ ደቀ መዛሙርትኻ ግና ኣይጸሙን፧ ኢሎም ናብኡ መጹ። 15የሱስ ከኣ በሎም፡ ነዕሩኽ መርዓዊኸ፡ መርዓዊ ምሳታቶም ኽሳዕ ዘሎ፡ ከመይ ኢሎም ክጕህዩ ይዀነሎም፧ መርዓዊ ኻባታቶም ዝውሰደላ መዓልቲ ግና ክትመጽእ እያ፡ ሽዑ ኸኣ ይጾሙ። 16ቍራጽ ሓድሽ ዓለባ ኣብ ብላይ ክዳን ዝልግብ የልቦን፡ እንተ ዘይኰነስ ነቲ ጥዑይ ይልክሞ፡ ምቕዳዱ ኸኣ ዝገደደ ይኸውን። 17ንሓድሽ ወይኒ ኣብ ኣረገውቲ ኣሕርብቲ ኣየዕርቕዎን፡ እንተ ዘይኰነስ እቲ ኣሕርብቲ ይቕደድ፡ እቲ ወይኒውን ይፈስስ፡ ኣሕርብቲ ኸኣ ይበላሾ። ንሓድሽ ወይኒ ግና ኣብ ሓደስቲ ኣሕርብቲ የዕርቕዎ፡ ክልቲኦም ድማ ይእርነቡ። 18እዚ ኽብሎም ከሎ፡ እንሆ፡ መራሕ ቤት ጸሎት መጾ፡ ጓለይ ሕጂ ሕጂ ሞተት፡ ግናኸ ንዓ ኢድካ ኣንብረላ እሞ ክትሓዊ፡ እናበለ ሰገደሉ። 19የሱስ ድማ ተንሲኡ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ሰዓቦ። 20-21እንሆ ኸኣ፡ ካብ ዓሰርተው ክልተ ዓመት ሒዙ ደም ዛሕዛሕ ዝብላ ሰበይቲ ብልባ፡ ዘፈር ክዳኑ ጥራይ እንተ ተንከኹ፡ ክሓዊ እየ፡ ኢላ ኣላ እሞ፡ ብድሕሪኡ ቐሪባ ዘፈር ክዳኑ ተንከየት። 22የሱስ ግልጽ ኢሉ ረኣያ እሞ፡ ኣጆኺ ጓለይ፡ እምነትኪ ኣሕወየትኪ፡ በላ። እታ ሰበይቲ ኻብታ ሰዓት እቲኣ ሒዛ ሓወየት። 23የሱስ ናብ ገዛ መራሕ ቤት ጸሎት ምስ መጸ፡ ነፋሕቲ እምብልታን ዋይዋይ ዝብሉ ሰብን ረኣየ፡ 24እዛ ጓል ደቂሳ ኣላ እምበር፡ ኣይሞተትን እሞ ኣግልሱ፡ በሎም። ንሳቶም ድማ ሰሓቕዎ። 25እቶም ሰብ ምስ ወጹ፡ ኣትዩ ኢዳ ሓዛ፡ እታ ጓል ከኣ ተንስአት። 26ኣብ ኵላ እታ ሃገርውን ወሪኡ ወጸ። 27የሱስ ካብኡ ምስ ሓለፈ፡ ክልተ ዕዉራት ዓው ኢሎም፡ ወዲ ዳዊት፡ ምሓረና፡ እናበሉ ሰዓብዎ። 28ናብ ቤት ምስ ኣተወ፡ እቶም ዕዉራት ናብኡ መጹ። የሱስ ድማ፡ እዚ ምግባር ከም ዝከኣለኒዶ ትኣምኑ ኢኹም፧ በሎም። ንሳቶም፡ እወ ጐይታይ፡ በልዎ። 29ሽዑ፡ ከም እምነትኩም ይኹነልኩም፡ ኢሉ ኣዒንቶም ተንከየ። 30ኣዒንቶምውን ተኸፍታ። የሱስ ድማ፡ ሓደ እኳ ኸይፈልጥ ተጠንቀቑ፡ ኢሉ ኣሕሚሙ ተዛረቦም። 31ንሳቶም ግና ወጺኦም ኣብ ኵላ እታ ሃገር ኣውረዩ። 32ንሳቶም ምስ ወጹ፡ እንሆ፡ ጋኔን ዝሓደሮ ዓባስ ሰብኣይ ናብኡ ኣምጽኡ። 33እቲ ጋኔን ምስ ወጸሉ፡ እቲ ዓባስ ተዛረበ። እቶም ህዝቢ ድማ፡ ከምዚ ዝበለስ ኣብ እስራኤል ከቶ ኣይተራእየን፡ ኢሎም ተገረሙ። 34ፈሪሳውያን ግና፡ ነጋንንቲ ብሓለቓ ኣጋንንቲ የውጽኦም ኣሎ፡ በሉ። 35የሱስ ኣብ ኵሉ ኸተማታትን ኣብ ኵሉ ዓድታትን ኣብ ቤት ጸሎቶም እናመሃረ፡ ወንጌል መንግስቲውን እናሰበኸ፡ ኵሉ ሕማምን ድናሰን እናሕወየ ይዘውር ነበረ። 36ብዙሓት ህዝቢ ምስ ረኣየ፡ ሓላዊ ኸም ዘይብለን ኣባጊዕ፡ ግፉዓትን ፋሕ ዝበሉን ነበሩ እሞ፡ ደንገጸሎም። 37ሽዑ ንደቀ መዛሙርቱ፡ እቲ እኽሊ ብዙሕ እዩ፡ ዓየይቲ ግና ሒደት እዮም። 38ስለዚ ነቲ ጐይታ እኽሊ ንእኽሉ ዓየይቲ ኽልእከሉ ለምንዎ፡ በሎም።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ወን.ማቴዎስ ምዕራፍ 10
1ንዓሰርተው ክልተ ደቀ መዛሙርቱ ጸዊዑ፡ ንርኹሳት መናፍስቲ ኸውጽእዎምን ንብዘሎ ሕማምን ድናሰን ከሕውዩን ስልጣን ሃቦም። 2ስማት እቶም ዓሰርተው ክልተ ሃዋርያት እዚ እዩ፡ ቀዳማይ እቲ ጴጥሮስ ተብሂሉ ዘሎ ስምኦን፡ እንድርያስ ከኣ ሓዉ። ያእቆብ ወዲ ዘብዴዎስ፡ ዮሃንስ ከኣ ሓዉ። 3ፊልጶስን በርተሎሜዎስን ቶማስን ማቴዎስ እቲ ተጋውን። ያእቆብ ወዲ እልፍዮስን እቲ ታዴዎስ ተብሂሉ ዘሎ ልብድዮስን፡ 4ስምኦን ብዓል ቃናን እቲ ዘትሓዞ ይሁዳ ኣስቆሮታውን። 5-6የሱስ ነዞም ዓሰርተው ክልተ ለኣኾም፡ ከምዚ ኢሉውን ኣዘዞም፡ ናብተን ጥፉኣት ኣባጊዕ ቤት እስራኤል ደኣ ኺዱ እምበር፡ ብመገዲ ኣህዛብ ኣይትኺዱ፡ ናብ ከተማ ሳምራውያን ድማ ኣይትእተዉ። 7ኬድኩም ድማ፡ መንግስተ ሰማያት ቀሪባ ኣላ፡ ኢልኩም ስበኹ። 8ሕሙማት ኣሕውዩ፡ ምዉታት ኣተንስኡ፡ ለምጻማት ኣንጽሁ፡ ኣጋንንቲ ኣውጽኡ። ብኸምኡ ተቐበልኩም፡ ብኸምኡ ሃቡ። 9ወርቂ ኰነ፡ ብሩር ኰነ ኣስራዚ ቅናውትኹም ኣይትቛጽሩ። 10ንዓያዪ ምግቡ ይግብኦ እዩ እሞ፡ ስንቂ ንመገዲ፡ ወይስ ክልተ ኽዳን፡ ወይ ኣሳእን፡ ወይ በትሪ ኣይትምሃዙ። 11ኣብ ዝዀነ ኸተማ ወይስ ዓዲ ኣቲኹም፡ ኣብኡ እቲ ብቑዕ መን ምዃኑ ሕተቱ። ክሳዕ እትወጹውን ኣብኡ ተቐመጡ። 12ናብ ቤት ምስ ኣቶኹም፡ ሰላም በሉ። 13እታ ቤት ነዚ እትበቅዕ እንተ ዀይና ሰላምኩም ይሕደራ። ዘይትበቅዕ እንተ ዀነት ግና፡ ሰላምኩም ናባኻትኩም ይመለስ። 14እንተ ዘይተቐበሉኹም ድማ፡ ወይስ ቃልኩም እንተ ዘይሰምዑ፡ ካብታ ቤት እቲኣ ወይ ካብታ ኸተማ እቲኣ ወጺእኩም፡ ተጐጓ ኣእጋርኩም ንገፉ። 15ብመዓልቲ ፍርዲ ኻብ ነታ ኸተማ እቲኣስ ንምድሪ ሶዶምን ጎሞራን ከም ዝቐልል፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 1 16እንሆ፡ ከም ኣባጊዕ ናብ ማእከል ተዃሉ እሰደኩም ኣሎኹ። ደጊም ጠቢባን ከም ተመን፡ ገርህታት ከኣ ከም ርግቢ ኹኑ። 17-18ናብ ዋዕላ ክወስድኹም፡ ኣብ ቤት ጸሎቶም ድማ ክገርፍኹም እዮም፡ ንኣታቶምን ነህዛብን ንምስክር ክኸውን፡ ምእንታይ ናብ መኳንንትን ናብ ነገስተታን ክትውሰዱ ኢኹም እሞ፡ ካብ ሰብ ተጠንቐቁ። 19ኣሕሊፎም ክህቡኹም ከለዉ፡ እንታይ ከም እትዛረቡ፡ በታ ግዜ እቲኣ ክውሃበኩም እዩ እሞ፡ ከመይ ወይስ እንታይ ከም እትዛረቡ ኣይትጨነቑ። 20መንፈስ ኣቦኹም እዩ ኣባኻትኩም ዝዛረብ እምበር፡ ንስኻትኩም ኣይኰንኩምን እትዛረቡ። 21ሓው ንሓው፡ ኣቦ ኸኣ ንውሉድ ኣሕሊፉ ንሞት ክህብ እዩ፡ ውሉድ ናብ ወለዶም ክትንስኡን ክቐትልዎምን እዮም። 22ስለ ስመይ ከኣ ኵሉ ሰብ ክጸልኣኩም እዩ። እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዝዕገስ፡ ንሱ ክድሕን እዩ። 23ካብ ሓንቲ ኸተማ እንተ ሰጐጉኹም፡ ናብ ሓንቲ ኻልእ ህደሙ። ወዲ ሰብ ክሳዕ ዝመጽእ፡ ከተማታት እስራኤል ከም ዘይትውድኡ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 24ተመሃሪ ኻብ መምህሩ፡ ጊልያውን ካብ ጐይታኡ ኣይበልጽን። 25ተመሃሪ ኸም መምህሩ፡ ጊልያውን ከም ጐይታኡ እንተ ዀነ፡ ይኣኽሎ። ንብዓል ቤት ብኤልዜቡል ካብ በልዎ፡ ንስድራ ቤቱ ግዳ ኽንደይ ኣዝዩ ብዙሕ ዘይብልዎ። 26እምበኣርስኸ፡ ዘይቕላዕ ክዱን፡ ዘይፍለጥ ድማ ስዉር የልቦን እሞ፡ ኣይትፍርህዎም። 27ኣብ ጸልማት ዝነገርኩኹም ብብርሃን ተዛረብዎ፡ ኣብ እዝንኹም ዝሰማዕኩምዎ ኸኣ ኣብ ናሕሲ ዄንኩም ስበኽዎ። 28ነቲ ነፍስን ስጋን ኣብ ገሃነም ከጥፍእ ዝከኣሎ ደኣ ኣዚኹም ፍርህዎ እምበር፡ ነቶም ንስጋ ዝቐትሉ ንነፍሲ ግና ምቕታላ ዘይክኣሎም ኣይትፍርህዎም። 29ክልተ ዑፍዶ ብኣሳርዮን ይሽየጣ ኣይኰናን፧ ሓንቲ ኻባታተን ብዘይ ፍቓድ ኣቦኹም ኣብ ምድሪ ኣይትወድቕን። 30ጸጉሪ ርእስኹም ኵለን እኳ ቝጹራት እየን። 31እምበኣርሲ ንስኻትኩም ካብ ብዙሓት ኣዕዋፍ ትበልጹ ኢኹም እሞ፡ ኣይትፍርሁ። 32ስለዚ ኣብ ቅድሚ ሰብ ንተኣመነኒ ዅሉ፡ ኣነ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦይ ክእመኖ እየ። 33ኣብ ቅድሚ ሰብ ንዝኸሓደኒ ድማ፡ ኣነ ድማ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ክኽሕዶ እየ። 34ናብ ምድሪ ዕርቂ ኸምጽእ ዝመጻእኩ ኣይምሰልኩም። ሰይፊ ደኣ እምበር፡ ዕርቂ ከምጽእ ኣይመጻእኩን። 35ወዲ ኻብ ኣቦኡ፡ ጓል ካብ ኣዲኣ፡ መርዓት ካብ ሓማታ ደኣ ኽፈሊ መጻእኩ እምበር፡ 36ንሰብ እቶም ቤተ ሰቡ ጸላእቱ ክዀኑ እዮም። 37እቲ ኻባይ ንቦኡን ነዲኡን ዘፍቅር ንኣይ ኣይበቅዕን እዩ። ካባይሲ ንወዱ ወይስ ንጓሉ ዘፍቅር ድማ ንኣይ ኣይበቅዕን እዩ። 38መስቀሉ ኣልዒሉ ደድሕረይ ዘይስዕብ ንኣይ ኣይበቅዕን። 39እቲ ንህይወቱ ዝረኽባ ኸጥፍኣ እዩ፡ እቲ ንህይወቱ ምእንታይ ዘጥፍኣ ከኣ ክረኽባ እዩ። 40ንኣኻትኩም ዝቕበል ንኣይ እዩ ዝቕበል፡ እቲ ንኣይ ዝቕበል ድማ ነቲ ዝለኣኸኒ እዩ ዝቕበሎ። 41ንነብዪ ብስም ነብዪ ዝቕበል፡ ዓስቢ ነብዪ ይረክብ፡ ንጻድቕ ብስም ጻድቕ ዝቕበል ድማ ዓስቢ ጻድቕ ይረክብ። 42ካብዞም ናእሽቱ ንሓደ እኳ ብስም ወደ መዝሙር ጣሳ ዝሑል ማይ ጥራይ ዘስቲ፡ ዓስቡ ከቶ ኸም ዘይስእን፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ወን.ማቴዎስ ምዕራፍ 11
1ኰነ ድማ፡ የሱስ ንዓሰርተው ክልተ ደቀ መዛሙርቱ ምእዛዞም ምስ ወድአ፡ ኣብ ከተማታቶም ክምህርን ክሰብኽን ካብኡ ሓለፈ። 2ዮሃንስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኸሎ፡ ወረ ግብሪ ክርስቶስ ሰሚዑ፡ ካብ ደቀ መዛሙርቱ ኽልተ ልኢኹ፡ 3እቲ ዝመጽእስ ንስኻ ዲኻ ወይስ ካልእ ክንጽበ ኢና፧ በሎ። 4የሱስ መሊሱ በሎም፡ ኬድኩም እዚ እትሰምዕዎን እትርእይዎን ዘሎኹም ንዮሃንስ ንገርዎ፡ 5ዕዉራት ይርእዩ፡ ሓንካሳት ይኸዱ፡ ለምጻማት ይነጽሁ፡ ጸማማት ይሰምዑ፡ ምዉታት ይትንስኡ፡ ንድኻታት ድማ ወንጌል ይስበኽ ኣሎ። 6ብኣይ ዘይዕንቀፍ ከኣ ብጹእ እዩ። 7ንሳቶም ምስ ከዱ፡ የሱስ ነቶም እኩባት ህዝቢ ብዛዕባ ዮሃንስ ክብሎም ጀመረ፡ እንታይ ክትርእዩ ናብ በረኻ ወጻእኩም፡ ብንፋስ ሰሰው ዝብል ሻምብቆዶ፧ 8እንታይ ደኣ ኽትርእዩ ወጻእኩም፧ ብልስሉስ ክዳውንቲ ዘጌጸ ሰብዶ፧ ልስሉስ ክዳውንቲ እተኸድኑስ፡ እንሆ፡ ኣብ ኣባይቲ ነገስታት ኣለዉ። 9ንምንታይ ደኣ ወጻእኩም፧ ነብዪ ኽትርእዩዶ፧ እወ፡ ካብ ነብዪ እኳ ዝበልጽ እዩ፡ እብለኩም ኣሎኹ። 10እቲ ብዛዕባኡ እተጻሕፈሉ ንሱ እዩ፡ እንሆ፡ ኣብ ቅድሜኻ፡ መገድኻ ዝጸርግ መልኣኸይ ቀቅድሜኻ እልእኽ ኣሎኹ። 11ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ ካብ ኣንስቲ ኻብ እተወለዱ ኻብ ዮሃንስ መጥመቕ ዝዓቢ ሓደ እኳ ኣይተንስአን። ኣብ መንግስተ ሰማያት ግና እቲ ዝንእስ ካብኡ ይዓቢ። 12ካብ ዘመን ዮሃንስ መጥመቕ ክሳብ ሎሚ መንግስተ ሰማያት ብሓይሊ ትደፍእ ኣላ፡ ደፋእቲ ድማ ብሓይሊ ይዛረፍዋ ኣለዉ። 13ኵሎም ነብያትን ኦሪትን ክሳዕ ዮሃንስ ተነበዩ። 14ክትኣምኑ እንተ ደሌኹምሲ፡ እቲ ኽመጽእ ዘለዎ ኤልያስ ንሱ እዩ። 15እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ። 16ነዚ ወለዶ እዚ እሞ ብምንታይ ክምስሎ እየ፧ ኣብ ዕዳጋ ተቐሚጦም ነዕሩኾም ዝጽውዑ ቘልዑ እዩ ዝመስል። 17እሞ ዝብልዎም፡ እምብልታ ነፋሕናልኩም፡ ኣይሳዕሳዕኩምን፡ ኣልቀስናልኩም፡ ኣይበኸኹምን። 18ዮሃንስ እንተ መጸ፡ ኣይበልዕ ኣይሰቲ፡ ጋኔን ኣለዎ፡ ይብሉ። 19ወዲ ሰብ መጸ፡ ይበልዕ ይሰቲ፡ እንሆ በላዕን ሰታይ ወይንን ዓርኪ ተገውትን ሓጥኣንን፡ ይብሉ። ጥበብ ብደቃ ጸደቐት። 20ድሕርዚ የሱስ ነተን ብዙሕ ሓይሊ ዝገበረለን ከተማታት ስለ ዘይተነሰሓ ክነቕፈን ጀመረ፡ 21ወይለኺ ኰራዚን፡ ወይለኺ ቤተሳይዳ፡ እዚ ኣባኻትክን እተገበረ ሓይሊ ኣብ ጢሮስን ኣብ ሲዶናን ተገይሩ እንተ ዝኸውንሲ፡ ቀደም ማቕ ተኸዲነን፡ ሓሙዅስቲ ተነጺፈን ምተነስሓ ነይረን። 22ብመዓልቲ ፍርዲ ግና ካባኻትክን ንጢሮስን ሲዶናን ከም ዝቐልል፡ እብለክን ኣሎኹ። 23ኣቲ ቅፍርናሆም፡ ክሳዕ ሰማይዶ ልዕል ክትብሊ ኢኺ፧ ክሳዕ ሲኦልከስ ከተንከራርዊ ኢኺ። እዚ ኣባኺ እተገበረ ግብርታት ሓይሊ ኣብ ሶዶም ተገይሩ እንተ ዝኸውንሲ፡ ክሳዕ ሎሚ ምጸንሐት ነይራ። 24ብመዓልቲ ፍርዲ ግና ካባኽስ ንምድሪ ሶዶም ከም ዝቐልል፡ እብለኩም ኣሎኹ። 25በታ ወርሓት እቲኣ የሱስ መለሰ በለውን፡ ዎ ኣቦይ ጐይታ ሰማይን ምድርን፡ እዚ ኻብ ብልህታትን ኣስተውዓልትን ስለ ዝሓባእካዮ፡ ንሕጻናት ግና ስለ ዝገለጽካዮ አመስግነካ ኣሎኹ። 26እወ፡ ኣቦይ፡ ኣብ ቅድሜኻ ኸምኡ ስምረትካ ዀይኑ። 27ካብ ኣቦይ ኵሉ ተዋሂቡኒ ኣሎ። ንወዲ ብጀካ ኣቦ ሓደ እኳ ዝፈልጦ የልቦን፡ ነቦ ኸኣ ብጀካ ወድን እቲ ወዲ ክገልጸሉ ዝፈቱን: ዝፈልጦ የልቦን። 28ኣቱም ኵልኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን፡ ኣነ ኸዕርፈኩም ናባይ ንዑ። 29-30ኣነ ለዋህ እየ፡ ልበይውን ትሑት፡ ኣርዑተይ ፈኵሽ፡ ጾረይውን ቀሊል እዩ እሞ፡ ኣርዑተይ ጹሩ ኻባይውን ተማሃሩ፡ ንነፍስኹም ከኣ ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ወን.ማቴዎስ ምዕራፍ 12
1በታ ግዜ እቲኣ የሱስ ብሰንበት ብማእከል ዝሩእ ግርሁ ሓለፈ። ደቀ መዛሙርቱ ድማ ጠመዩ፡ ሰዊት ክምሕዉን ክበልዑን ከኣ ጀመሩ። 2ፈሪሳውያን ድማ እዚ ርእዮም፡ እንሆ፡ ደቀ መዛሙርትኻ ብሰንበት ምግባሩ ዘይግባእ ይገብሩ ኣለዉ፡ በልዎ። 3ንሱ ኸኣ በሎም፡ ዳዊት ዝገበሮ፡ ንሱን እቶም ምስኡ ዝነበሩን ምስ ጠመዩ፡ 4ከመይ ኢሉ ናብ ቤት ኣምላኽ ከም ዝኣተወ እሞ፡ ብጀካ ንኻህናት ጥራይ፡ ንእኡ ዀነ፡ ወይስ ነቶም ምስኡ ዝነበሩ፡ ምብላዑ ዘይግብኦም እንጌራ ምርኣይ ከም ዝበልዐስ፡ ኣየንበብኩምንዶ፧ 5ካህናት ኣብ ቤተ መቕደስ ብመዓልቲ ሰንበትሲ ንሰንበት ከም ዝስዕርዋ፡ በደል ከኣ ከም ዘይኰኖምከ፡ ኣብ ኦሪትዶ ኣየንበብኩምን፧ 6ኣነ ግና፡ ካብ ቤተ መቕደስ ዝዓቢ ኣብዚ ኸም ዘሎ፡ እብለኩም ኣሎኹ። 7ግናኸ፡ ምሕረት እፈቱ፡ መስዋእቲ ኣይኰነን፡ እንታይ ምዃኑ እንተ ትፈልጡስ፡ ኣብዞም በደል ዘይብሎም ኣይምፈረድኩምን ኔርኩም። 8እምብኣርስኸ ወዲ ሰብ ጐይታ ሰንበት እዩ። 9ንሱ ኻብኡ ሓሊፉ፡ ናብ ቤት ጸሎቶም ኣተወ። 10እንሆ ኸኣ፡ ኢዱ ዝነቀጸት ሰብኣይ ኣብኡ ነበረ። ምእንቲ ኽኸስዎ ኸኣ፡ ብሰንበት ምፍዋስዶ ግቡእ እዩ፧ ኢሎም ሓተትዎ። 11በሎም ከኣ፡ ካባኻትኩምከ ሓንቲ በጊዕ ዘላቶ እሞ ብሰንበት ኣብ ጕድጓድ እንተ ወደቐት፡ ዘይሕዛን ዘየውጽኣን እንታዋይ ሰብ ኣሎ፧ 12ካብ በጊዕሲ ሰብዶ ግዳ ኣዝዩ ኣይበልጽን፧ እምበርሲ፡ ብሰንበት ጽቡቕ ምግባር ግቡእ እዩ። 13ሽዑ ነቲ ሰብኣይ ኸኣ ኢድካ ዘርግሕ፡ በሎ። ኢዱ ዘርግሐ፡ ብኡብኡ ኸኣ ሓወየት፡ ከምታ ኻልኣይቲውን ኰነት። 14ፈሪሳውያን ግና ምስ ወጹ፡ ከመይ ገይሮም ከም ዘጥፍእዎ ተማኸሩ። 15የሱስ ድማ እዚ ፈሊጡ ኻብኡ ኣግለሰ። ብዙሓት ሰብ ድማ ሰዓብዎ፡ ንዅሎምውን ኣሕወዮም። 16ከየግህድዎ ድማ ኣሕሚሙ ኣዘዞም። 17እቲ ብነብዪ ኢሳይያስ እተባህለ ኽፍጸም፡ ከምዚ ዝብል፡ 18እንሆ፡ ዝሓሬኽዎ ጊልያይ፡ ነፍሰይ ዝሰመረቶ ፈታውየይ፡ ኣብኡ መንፈሰይ ከሕድር እየ፡ ንሱ ድማ ነህዛብ ፍትሒ ኸውጽኣሎም እዩ። 19ኣይከራኸርን፡ ኣይጭድርን፡ ኣብ ኣደባብይውን ሓደ እኳ ድምጹ ኣይክሰምዕን እዩ። 20ፍርዲ ናብ ዓወት ክሳዕ ዘብጽሕ፡ ጭፍሉቕ ሻምብቆ ኣይሰብርን፡ ዝተክኽ ፈትሊ ጥዋፍውን ኣየጥፍእን እዩ። 21ኣህዛብ ከኣ ብስሙ ተስፋ ኽገብሩ እዮም። 22ድሕርዚ ኸኣ ጋኔን ዝሓደሮ ዕዉር ዓባስ ናብኡ ኣምጽኡ። ንሱ ድማ ነቲ ዕዉር ዓባስ ዝርእን ዝዛረብን ገይሩ ኣሕወዮ። 23እቶም ህዝቢ ዅሎም ከኣ፡ እዝስ እቲ ወዲ ዳዊት ደዀን እዩ፧ ኢሎም ኣስተንከሩ። 24ፈሪሳውያን ምስ ሰምዑ ግና፡ እዚ ብዘይ ብብኤልዜቡል፡ እቲ ሓለቓ ኣጋንንቲ፡ ነጋንንቲ ኣየውጽኦምን፡ በሉ። 25የሱስ ሓሳባቶም ፈሊጡ በሎም፡ ንሓድሕዳ እተፈላለየት ኵላ መንግስቲ ትዖኑ፡ ንሓድሕዳ እተፋላለየት ኵላ ኸተማ ወይስ ቤት ድማ ኣይትነብርን እያ። 26ሰይጣን ንሰይጣን ካብ ዘውጽኦ፡ ንሓድሕዱ ተፋላለየ፡ እታ መንግስቲ ደኣኸ ኸመይ ኢላ ትቐውም፧ 27ኣነ ነጋንንቲ ብብኤልዜቡል ዘውጽኦም ካብ ኰንኩ፡ ደቅኹም ደኣ ብመን የውጽእዎም ኣለዉ፧ ስለዚ ንሳቶም ፈራዶኹም ክዀኑ እዮም። 28ኣነ ነጋንንቲ ብመንፈስ ኣምላኽ ዘውጽኦም ካብ ኰንኩ ግና፡ እንሃ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ናባኻትኩም መጸት። 29ወይስ ቅድም ነቲ ሓያል ከይኣሰረ፡ ናብ ቤት ሓያል ኣትዩ ኣቓሑኡ ክብዝብዝ ዝኽእል መን ኣሎ፧ ድሕርዚ እዩ ቤቱ ዝብዝብዝ። 30ምሳይ ዘይኰነ መቓናቕንተይ እዩ፡ እቲ ምሳይ ኰይኑ ዘይእክብ ከኣ ይዘሩ። 31ስለዚ ንሰብ ኵሉ ሓጢኣትን ጸርፍን ዘበለ ይሕደገሉ እዩ፡ ነቲ ንመንፈስ ዝጸረፈ ግና ኣይሕደገሉን። 32ነቲ ኣብ ወዲ ሰብ ገለ ዘረባ ዝበለ ይሕደገሉ እዩ፡ ነቲ ኣብ መንፈስ ቅዱስ ገለ ዘረባ ዝበለ ግና፡ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዀነ፡ ኣብታ እትመጽእ ኰነ፡ ኣይሕደገሉን እዩ፡ እብለኩም ኣሎኹ። 33ኦም ካብ ፍሪኡ ይፍለጥ እዩ እሞ፡ ነቲ ኦም ጽቡቕ ግበርዎ፡ ፍሪኡ ድማ ጽቡቕ፡ ወይስ ነቲ ኦም ክፉእ ግበርዎ፡ ፍሪኡ ድማ ክፉእ። 34ኣቱም ውሉድ ኣትማን፡ ኣፍ ካብ ምልኣት ልቢ ይዛረብ እዩ እሞ፡ ክፉኣት ክነስኹምከ፡ ከመይ ጌርኩም ጽቡቕ ምዝራብ ክትክእሉ፧ 35እቲ ሕያዋይ ሰብ ካብቲ ዝቡቕ መዝገብ ልቡ ጽቡቕ የውጽእ። ክፉእ ሰብ ከኣ ካብቲ ኽፉእ መዝገብ ልቡ ኽፉእ እዩ ዘውጽእ። 36-37ኣነ ግና፡ ብዘረባኻ ኢኻ እትጸድቕ፡ ብዘረባኻውን ኢኻ እትዅነን እሞ፡ ሰብ ዝዛረብዎ ዘበለ ዘይጠቅም ኵሉ ቓል ብመዓልቲ ፍርዲ ጸብጻብ ክህብሉ እዮም፡ እብለኩም ኣሎኹ። 38ሽዑ ሓይሎ ኻብ ጻሓፍትን ፈሪሳውያንን፡ መምህር፡ ካባኻ ትእምርቲ ኽንርኢ ንደሊ ኣሎና ኢሎም መለሱ። 39ንሱ ግና መሊሱ በሎም፡ ክፉእን ዘማውን ወለዶ ትእምርቲ ይደሊ። ብዘይ ትእምርቲ ነብዪ ዮናስ ድማ ካልእ ትእምርቲ ኣይወሃቦን። 40ዮናስ ኣብ ከብዲ ዓብዪ ዓሳ ሰለስተ መዓልትን ሰለስተ ለይትን ከም ዝገበረ፡ ከምኡ ኸኣ ወዲ ሰብ ኣብ ውሽጢ ምድሪ ሰለስተ መዓልትን ሰለስተ ለይትን ክገብር እዩ። 41ሰብ ነነዌ ብስብከት ዮናስ ተነሲሖም እዮም እሞ፡ ብመዓልቲ ፍርዲ ምስ እዚ ወለዶ እዚ ክትንስኡን ክዅንንዎን እዮም። እንሆ፡ ካብ ዮናስ ዝዓቢ ኣብዚ እሎ። 42ንግስቲ ኣዜብ፡ ጥበብ ሰሎሞን ክትሰምዕ፡ ካብ ወሰን ምድሪ መጺኣ ነበረት እሞ፡ ብመዓልቲ ፍርዲ ምስ እዚ ወለዶ እዚ ኽትትንስእን ክትኵንኖን እያ። እንሆ፡ ካብ ሰሎሞን ዝዓቢ ኣብዚ ኣሎ። 43ርኹስ መንፈስ ካብ ሰብ ምስ ወጸ፡ ዕረፍቲ ደልዩ፡ ኣብ ኣጻምእ ቦታ ይዀልል ኣይረክብን ድማ። 44ሽዑ፡ ናብታ ዝወጻእኩላ ቤተይ ደኣ ኽምለስ፡ ይብል። ምስ መጸ፡ ጥራያ፡ ተዀስቲራ፡ ተሰሊማ ይረኽባ። 45ድሕርቲ ይኸይድ፡ ካብኡ ዝገዱ ሾብዓተ ኻልኦት መናፍስቲ ሒዙ ይመጽእ፡ ኣትዮም ከኣ ኣብኣ ይነብሩ። ነቲ ሰብ እቲ ኻብ መጀመርታኡ እቲ መወዳእታኡ ዝገደደ ይዀኖ። ነዚ ኽፉእ ወለዶ እዚ ድማ ከምኡ ክዀኖ እዩ። 46ገና ነቶም ህዝቢ ኽነግሮም ከሎ፡ እንሆ ኣዲኡን ኣሕዋቱን ክዛረብዎ ደልዮም ኣብ ወጻኢ ደው በሉ። 47ሓደ ኸኣ፡ እንሆ፡ ኣዴኻን ኣሕዋትካን ክዛረቡኻ ደልዮም፡ ኣብ ወጻኢ ደው ኢሎም ኣለዉ፡ በሎ። 48ንሱ ግና ነቲ ዝነገሮ፡ ኣደይ መን እያ፧ ኣሕዋተይሲ እንመን እዮም፧ ኢሉ መለሰሉ። 49-50ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ዝገብር ዘበለ ዅሉ፡ ንሱ ሓወይን ሓብተይን ኣደይን እዩ፡ ኢሉ ኢዱ ናብ ደቀ መዛሙርቱ ዘርጊሑ፡ ኣደይን ኣሕዋተይንሲ እነዉ፡ በለ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ወን.ማቴዎስ ምዕራፍ 13
1በታ መዓልቲ እቲኣ የሱስ ካብ ቤት ወጺኡ፡ ኣብ ገምገም ባሕሪ ተቐመጠ። 2ብዙሕ ህዝቢ ናብኡ ተኣከበ፡ ናብ ጃልባ ኣትዩ ኽሳዕ ዝቕመጥ ከኣ፡ ኵሉ እቲ ህዝቢ ኣብ ገምገም ባሕሪ ደው ኢሉ ነበረ። 3ብምስላታት ድማ ብዙሕ ነገሮም፡ ከምዚ እናበለ፡ እንሆ፡ ዘራኢ ኽዘርእ ወፈረ። 4ክዘርእ ከሎ፡ ገሊኡ ኣብ ጥቓ መገዲ ወደቐ፡ ኣዕዋፍ መጺአን ድማ በልዓኦ። 5ገሊኡ ኸኣ ብዙሕ ሓመድ ኣብ ዘይብሉ ኸውሒ ወደቐ፡ ዓሚቝ ሓመድ ስለ ዘይብሉ ድማ፡ ቀልጢፉ በቘለ። 6ጸሓይ ምስ በረቐት፡ ሃጐገ፡ ሱር ስለ ዘይብሉ ድማ ነቐጸ። 7ገሊኡ ኣብ እሾኽ ወደቐ። እቲ እሾኽ ድማ ዓበየ ሓነቖውን። 8ገሊኡ ኣብ ጽቡቕ ምድሪ ወደቕ፡ ገሊኡ ሚእቲ፡ ገሊኡ ስሳ፡ ገሊኡ ድማ ሰላሳ ፈረየ። 9እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ። 10እቶም ደቀ መዛሙርቱ ድማ ናብኡ ቐሪቦም፡ ስለምንታይ ኢኻ ብምስላ እትዛረብ ዘሎኻ፧ በልዎ። 11መሊሱ በሎም፡ ምፍላጥ ምስጢር መንግስተ ሰማያት ንኣኻኣትኩም ተውሂቡ ኣሎ፡ ንኣታቶም ግና ኣይተዋህቦምን። 12ንዘለዎ ይውሃቦ እዩ እሞ፡ ኣዝዩውን ይውሰኾ እዩ፡ ነቲ ዘይብሉ ግና እታ ዘላቶ እኳ የግድፍዎ እዮም። 13እናረኣዩስ ኣይርእዩን፡ እናሰምዑውን ኣይሰምዑን፡ ኣይሰተውዕሉን እዮም እሞ ስለዚ ብምስላ እዛረቦም ኣሎኹ። 14-15ትንቢት ኢሳይያስ ኣባታቶም ይፍጸም፡ ከምዚ ዝብል፡ በእዛኖም ከይሰምዑ፡ በዒንቶም ከይርእዩ፡ ኣእዛኖም ኣጽመሙ፡ ኣዒንቶም ዓመቱ፡ ብልቦም ከየስተውዕሉ፡ ከይምለሱ፡ ኣነውን ከየሕውዮምሲ፡ ልቢ እዚ ህዝብዚ ረጕድ እዩ እሞ፡ ምስማዕሲ ትሰምዑ፡ ከቶ ኣይተስተውዕሉን፡ ምርኣይውን ትርእዩ፡ ከቶ ኣይትጥምቱን ኢኹም። 16-17ብዙሓት ነብያት ጻድቃንን ነዚ ንስኻትኩም እትርእይዎ ዘሎኹም ክርእዩ ኸም እተመነዩ እሞ ኸም ዘይረኣዩ፡ ነዚ ንስኻትኩም እትሰምዕዎ ዘሎኹም ክሰምዑውን ከም እተመነዩ እሞ ከም ዘይሰምዑ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። ኣዒንትኹም ግና ዝርእያ፡ ኣእዛንኩምውን ዝሰምዓ እየን እሞ፡ ብጹኣት እየን። 18እምበኣርሲ ንስኻትኩም ምስላ ዘራኢ ስምዑ። 19ቃል መንግስቲ ሰሚዑስ ዘየስተውዕሎ ዅሉ፡ እቲ ኽፉእ ይመጽእ እሞ ነቲ ኣብ ልቡ እተዘርአ ይምንጥሎ፡ እቲ ኣብ ከውሒ እተዘርአ እዚ እዩ። 20እቲ ኣብ ከውሒ እተዘርአ ኸኣ ነዚ ቓል ሰሚዑ ብኡብኡ ብሓጐስ ዝቕበሎ እዩ። 21ንሽዑ ጥራይ እዩ እምበር፡ ሱር ግና የብሉን። ስለቲ ቓል መከራ ወይ ስደት ምስ ዀነ፡ ብኡብኡ ይዕንቀፍ። 22እቲ ኣብ እሾኽ እተዘርአ ኸኣ ነዚ ቓል ዝሰምዖ እዩ፡ ጓሂ እዛ ዓለም እዚኣን ምዕሻው ሃብትን ግና ነቲ ቓል ይሓንቆ፡ ከይፈረየውን ይተርፍ። 23እቲ ኣብ ጽቡቕ ምድሪ እተዘርአ ኸኣ ነዚ ቓል ሰሚዑስ ዘስተውዕሎ እዩ፡ ንሱ ፍረ ይፈሪ፡ ገሊኡ ሚእቲ፡ ገሊኡ ስሳ፡ ገሊኡ ሰላሳ ይእቶ። 24ካልእ ምስላ ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰሎም፡ መንግስተ ሰማያት ኣብ ግራቱ ጽቡቕ ዘርኢ ዝዘርአ ሰብ እያ እትመስል። 25እቶም ሰብ ደቂሶም ከለዉ፡ ጸላኢ መጸ፡ ኣብቲ ማእከል ስርናይ ድማ ክርዳድ ዘሪኡ ኸደ። 26ቈጽሉ ምስ ፈርዐን ፍረ ምስ ፈረየን ድማ፡ ሽዑ እቲ ኽርዳድ ተራእየ። 27ነቲ ብዓል ቤት ግዙኣቱ መጺኦም፡ ጐይታይ፡ ኣብ ግራትካ ጽቡቕ ዘርኢዶ ዘሪእካ ኣይነበርካን፧ እዚ ኽርዳድ ደኣ ኻበይ መጸ፧ በልዎ። 28ንሱ ኸኣ ነዝስ ጸላኢ እዩ ዝገበሮ፡ በሎም። እቶም ግዙኣቱ ድማ፡ ኬድና ኽንኣርዮዶ ትፈቱ ኢኻ፧ በልዎ። 29ንሱ በሎም፡ ኣይፋልኩምን፡ ክርዳድ ክትኣርዩ ኸሎኹምሲ፡ ምስኡ ስርናይ ከይትምሕዉ። 30ክሳዕ ቀውዒ ብሓደ ይዕበዩ ሕደግዎም ብግዜ ቐውዒ ኸኣ ንዓጻዶ፡ ቅድም ነቲ ኽርዳድ፡ እረይዎ፡ ክነድድ ድማ በብንዳእቲ እሰርዎ፡ ነቲ ስርናይ ግና ኣብ ቆፎይ ኣክብዎ፡ ክብሎም እየ። 31ካልእ ምስላ ኸምዚ ኢሉ መሰለሎም፡ መንግስተ ሰማያት፡ ሰብ ወሲዱ፡ ኣብ ግራቱ ዝዘርኣ ፍረ ኣድሪ እያ እትመስል። 32ንሳ ኸኣ ካብ ኵሉ ኻልእ ኣዝርእቲ ትንእስ፡ ምስ በቘሎት ግና፡ ኣዕዋፍ ሰማይ መጺአን ኣብ ጨንፈራ ኽሳዕ ዝዓርፉ፡ ካብ ኵሉ ተኽሊ ኣሕምልቲ እትዓቢ ኦም ትኸውን። 33ካልእ ምስላውን ነገሮም፡ መንግስተ ሰማያት፡ ሰበይቲ ወሲዳ፡ ኵሉ ኽሳዕ ዝበኵዕ፡ ኣብ ሰለስተ ሳቶን ሓርጭ ዝለወሰቶ ማይ ብሑቝ ትመስል። 34-35የሱስ ነቶም እኩባት ህዝቢ እቲ ብነብዪ፡ ኣፈይ ብምስላ እኸፍት፡ እቲ ኻብ ምስራት ዓለም ተሓቢኡ ዝነብረ እነግር፡ ተብሂሉ ዘሎ ምእንቲ ኸፍጸም ኢሉ፡ እዚ ዅሉ ብምስላ ተዛረቦም እምበር፡ ብዘይ ምስላስ ኣይተዛረቦምን። 36ሽዑ ነቲ ኣኼባ ሓዲጉ፡ ናብ ቤት ኣተወ። ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ ቀሪቦም፡ ምስላ ኽርዳድ ናይታ ግራት ተርጕመልና፡ በልዎ። 37መሊሱ በሎም፡ እቲ ጽቡቕ ዘርኢ ዝዘርእ፡ ወዲ ሰብ እዩ። 38እታ ግራት ከኣ ዓለም እያ፡ እቲ ጽቡቕ ዘርኢ ድማ ደቂ መንግስቲ እዮም፡ እቲ ኽርዳድ ግና ደቂ እቲ ኽፉእ እዮም። 39እቲ ዝዘርኦም ጸላኢ ኸኣ ድያብሎስ እዩ፡ እቲ ቐውዒ ድማ መወዳእታ ዓለም እዩ፡ እቶም ዓጻዶ ኸኣ መላእኽቲ እዮም። 40ክርዳድ ተኣኪቡ ብሓዊ ኸም ዝነድድ፡ ብመወዳእታ ዓለም ከኣ ከምኡ ክኸውን እዩ። 41ወዲ ሰብ መላእኽቱ ክልእኽ እዩ፡ ንሳቶም ከኣ መዐንቀፍትን ዓመጽትን ንዘበሉ ዅሎም ካብ መንግስቱ ኽእክብዎም፡ 42ኣብ እቶን ሓዊ ኸኣ ክድርብይዎም እዮም። ኣብኡ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ክኸውን እዩ። 43ሽዑ ጻድቃን ኣብታ መንግስቲ ኣቦኦም ከም ጸሓይ ክበርሁ እዮም። እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ። 44ድማ መንግስተ ሰማያት ኣብ ግራት እተሓብአ እሞ ሰብ ረኺቡ ዝሓብኦ መዝገብ ትመስል። ብታሕጓስ ከይዱስ፡ ዘለዎ ዅሉ ሸይጡ ነታ ግራት እቲኣ ዓደጋ። 45ድማ መንግስተ ሰማያት ጽብቕቲ ዕንቍ ዝደሊ ነጋዳይ ትመስል። 46ሓንቲ ኽብርቲ ዕንቍ ምስ ረኸበ፡ ከይዱ ዘለዎ ዅሉ ሸጠ እሞ ዓደጋ። 47ድማ መንግስተ ሰማያት ኣብ ባሕሪ እተደርበየት እሞ ካብ ኵሉ ዓሳ ዝኣከበት መርበብ ትመስል። 48ምስ መልአት፡ ናብ ደንደስ ኣውጽእዋ። ተቐሚጦም ድማ፡ ጸጽቡቑ ኣብ ኣቓሑኦም ኣከቡ፡ ነቲ ኸኽፉኡ ግና ንወጻኢ ደርበይዎ። 49ብመወዳእታ ዓለም ከኣ ከምኡ ክኸውን እዩ፡ መላእኸቲ መጺኦም ነቶም ክፉኣት ካብ ማእከል ጻድቃን ክፈልይዎም፡ 50ናብ እቶን ሓዊ ድማ ክድርብይዎም እዮም። ኣብኡ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ኽኸውን እዩ። 51ነዚ ዅሉስ ኣስተውዒልኩምዎዶ ኣሎኹም፧ ንሳቶም ድማ፡ እወ በልዎ፡ 52ንሱ ኸኣ፡ ስለዚ ንመንግስተ ሰማያት ኢሉ እተማህረ ዅሉ ጸሓፊ ኻብ መዝገብ ሓድሽን ብሉይን ዘውጽእ ብዓል ቤት ይመስል፡ በሎም። 53ኰነ ድማ፡ የሱስ እዘን ምስላታት እዚአን ምስ ወድአ፡ ካብኣ ነቐለ። 54-56ናብ ዓዱ መጺኡ ኸኣ፡ እዚ ጥበብዚ፡ እዚ ሓይሊ እዚኸ ኻበይ ረኸቦ፡ እዝስ ወዲ እቲ ጸራቢ ደይኰኑን፡ ኣዲኡስ ማርያም እትበሃል ደይኰነትን፧ ኣሕዋቱስ ያእቆብ፡ ዮሴፍ፡ ስምኦን፡ ይሁዳ ደይኰኑን፧ ኣሓቱ ዅላተንሲ ምሳናዶ ኣየለዋን፧ እዚ ዅሉ ደኣ ኻበይ ተዋህቦ፧ ኢሎም ክሳዕ ዝግረሙ፡ ኣብ ቤት ጸሎቶም መሃሮም። 57ብእኡ ኸኣ ተዓንቀፉ። የሱስ ድማ፡ ነብዪ ብዘይ ኣብ ዓዱን ኣብ ቤቱን ኣይንዓቕን እዩ፡ በሎም። 58ብሰሪ ዘይምእማኖም ከኣ ኣብኡ ብዙሕ ግብርታት ሓይሊ ኣይገበረን።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ወን.ማቴዎስ ምዕራፍ 14
1በቲ ግዜ እቲ ሄሮድስ ብዓል ርባዕ ሽመት፡ ወረ የሱስ ሰምዐ። 2ንገላዉኡ ድማ፡ እዚ ዮሃንስ መጥመቕ እዩ። ንሱ ኻብ ምዉታት ተንሲኡ ኣሎ፡ ስልዚ ኸኣ እዚ ሓይልታትዚ ብእኡ ይግበር ኣሎ፡ በሎም። 3-4ዮሃንስ ንሄሮድስ ብዛዕባ እታ ሄሮድያዳ ሰበይቲ ፊልጶስ ሓዉ፡ ንሳ ንኣኻ ኽትከውን ኣይተፈቕደልካን፡ ኢልዎ ነበረ እሞ፡ ሄሮድስ ንዮሃንስ ብሰራ ሒዙ ኣሲሩ፡ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእትይዎ ነበረ። 5ክቐትሎውን ይደሊ ነበረ፡ ግናኸ እቶም ህዝቢ ኸም ነብዪ ይርእይዎ ነበሩ እሞ፡ ፈርሆም። 6ሄሮድስ እተወለደላ መዓልቲ ምስ ኣብዓሉ፡ ጓል ሄሮድያዳ ኣብ ማእከል ኰይና ሳዕስዐት፡ ንሄሮድስ ከኣ ኣሓጐሰቶ። 7ሽዑ ዝደለየቶ ኽህባ ብማሕላ ኣተስፈዋ። 8ንሳ ኸምቲ ኣዲኣ ቕድም ዝመኸረታ፡ ርእሲ ዮሃንስ መጥመቕ ኣብ ሒላብ ጌርካ ኣብዚ ሃበኒ፡ በለቶ። 9እቲ ንጉስ ጐሃየ፡ ስለቲ ማሕላኡን ስለቶም ኣብ መኣዲ መቓምጡን ግና ክህብዋ ኣዘዘ። 10ልኢኹ ድማ ርእሲ ዮሃንስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣሰየፈ። 11እታ ርእሱ ኣብ ሒላብ ገይሮም ከኣ ነታ ጓል ሃብዋ። ንሳ ድማ ናብ ኣዲኣ ወሰደታ። 12ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ መጺኦም፡ ሬሳኡ ኣልዒሎም ቀበሩ። ከይዶም ከኣ ንየሱስ ነገርዎ። 13የሱስ እዚ ምስ ሰምዐ፡ ካብኣ ብጃልባ ኣግሊሱ ናብ ጽምዊ በረኻ ኸደ። እቶም እኩባት ህዝቢ ሰሚዖም ከኣ፡ ካብ ከተማታት ብእግሪ ሰዓብዎ። 14የሱስ ናብ ምድሪ ምስ ወጸ፡ ብዙሕ ህዝቢ ረኣየ እሞ ደንገጸሎም፡ ሕሙማቶምውን ኣሕወየ። 15ምስ መሰየ፡ ደቀ መዛሙርቱ ናብኡ ቐሪቦም፡ እዛ ቦታ እዚኣ በረኻ እያ፡ ምድሪ ኸኣ መስዩ እዩ። እምብኣርሲ እዞም ሰብ ናብ ዓድታት እትዮም፡ ንርእሶም እንጌራ ክዕድጉ ኣሳናብቶም፡ በልዎ። 16የሱስ ግና፡ ምኻድ ኣየድልዮምን፡ ኽበልዑ ንስኻትኩም ሃብዎም፡ በሎም። 17ንሳቶም ከኣ፡ ኣብዚ ብዘይ ሓሙሽተ እንጌራን ክልተ ዓሳን ገለ የብልናን፡ በልዎ። 18ንሱ ግና፡ ናባይ ኣምጽእዎ፡ በለ። 19እቶም ሰብውን ኣብ ሳዕሪ ክቕመጡ ኣዘዘ። ነተን ሓሙሽተ እንጌራን ክልተ ዓሳን ኣልዒሉ፡ ናብ ሰማይ ገጹ ቝሊሕ በለ፡ ባሪኹ፡ ቈሪሱ ንደቀ መዛሙርቱ ሃቦም። 20ኵሎም በሊዖም ጸገቡ። እቲ ዝተረፈ ቘረርስ ድማ ዓሰርተው ክልተ መሶብ መሊኦም ኣልዓሉ። 21እቶም ዝበልዑ፡ ብዘይ ኣንስትን ቈልዑን፡ ኣስታት ሓሙሽተ ሽሕ ሰብኣይ ነበሩ። 22ሽዑ ንሱ ንደቀ መዛሙርቱ ናብ ጃልባ ክኣትዉ እሞ፡ ነቶም ሰብ ክሳዕ ዘሳናብቶም፡ ናብ ማዕዶ ክቕድምዎ፡ ብግዲ በሎም። 23ነቶም ሰብ ኣሳናቢቱ፡ ኽጽሊ ናብ ብሕት ዝበለ ኸረን ደየበ። ምድሪ ምስ መሰየ ኸኣ፡ ኣብኡ በይኑ ነበረ። 24እታ ጃልባ ኣብ ማእከል ባሕሪ ምስ በጽሐት ግና፡ ንፋስ ብቕድሚኣ ነበረ እሞ፡ ብማዕበል ትጭነቕ ነበረት። 25የሱሱ ባሕረ ባሕሪ እናኸደ፡ ብራብዓይ ምቃል ለይቲ መጾም። 26እቶም ደቀ መዛሙርቲ፡ ባሕረ ባሕሪ ክኸይድ ምስ ረኣይዎ፡ ምትሃት እዩ፡ ኢሎም ሰምበዱ፡ ፈሪሆም ከኣ ጨርሑ። 27ግናኸ የሱስ ብኡብኡ፡ ኣጆኹም፡ ኣነ እየ፡ ኣይትፍርሁ፡ ኢሉ ተዛረቦም። 28ጴጥሮስ መሊሱ፡ ጐይታይ፡ ንስኻ እንተ ዄንካስ፡ ብማየ ማይ ናባኻ ኸመጽእ ኣዝዘኒ፡ በሎ። 29ንሱ ኸኣ፡ ንዓ፡ በሎ። ሽዑ ጴጥሮስ ካብ ጃልባ ወሪዱ፡ ብማየ ማይ እናኸደ፡ ናብ የሱስ መጸ። 30ብርቱዕ ንፋስ ምስ ረኣየ ግና፡ ፈርሀ። ክጥሕል ምስ ጀመረ ድማ፡ ጐይታይ፡ ኣድሕነኒ፡ ኢሉ ኣእወየ። 31ሽዑ የሱስ ኢዱ ዘርጊሑ ሓዞ እሞ፡ ኣታ ጕዱል እምነት፡ ስለምንታይከ ተዋላወልካ፧ በሎ። 32ናብ ጃልባ ምስ ኣተወ፡ እቲ ንፋስ ዝግ በለ። 33እቶም ኣብ ጃልባ ዝነበሩ ኸኣ፡ ንስኻ ብሓቂ ወዲ ኣምላኽ ኢኻ፡ እናበሉ ሰገዱሉ። 34ተሳጊሮም ከኣ ናብ ምድሪ ጌንሳሪጥ መጹ። 35እቶም ሰብ ምስ ኣለለይዎ፡ ኣብ ጐደቦኦም ናብ ዘለዋ ዅለን ዓድታት ለኣኹ፡ ኵሎም ሕሙማት ድማ ኣምጽኡሉ። 36ዘፈር ክዳኑ ኽትንክዩ ጥራይ ለመንዎ። ዝተንከዮ ዘበለ ኸኣ ሓወየ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ወን.ማቴዎስ ምዕራፍ 15
1ሽዑ ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ካብ የሩሳሌም ናብ የሱስ መጺኦም፡ 2ደቀ መዛሙርትኻ እንጌራ ክበልዑ ኸለዉ፡ ኢዶም ኣይሕጸቡን እዮም እሞ፡ ስለምንታይ ስርዓት ዓበይቲ የፍርሱ ኣለዉ፧ በልዎ። 3ንሱ መሊሱ በሎም፡ ስለምንታይ ግዳ ንስኻትኩም ምእንቲ ስርዓትኩም ትእዛዝ ኣምላኽ ተፍርሱ ኣሎኹም 4ኣምላኽ፡ ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር፡ ድማ፡ ነቦኡ ኰነ ወይስ ነዲኡ ሕሱም ቃል ዘውስእ ሞት ይሙት፡ በለ። 5ንስኻትኩም ግና፡ ነቦኡ ዀነ ወይስ ነዲኡ፡ እቲ ኻባይ እትጥቀመሉ መባእ ጌርዮ እየ፡ ዝብል ግዲ ምኽባር ኣቦኡን ኣዲኡን የብሉን፡ ትብሉ። 6ምእንቲ ስርዓትኩም ነቲ ቓል ኣምላኽ ከንቱ ገበርኩምዎ። 7ኣቱም ግቡዛት፡ ኢሳይያስ ብዛዕባኻትኩም ጽቡቕ ተነበየ፡ ከምዚ ኢሉ፡ 8እዚ ህዝቢ እዚ ብኸናፍሩ የኽብረኒ፡ ልቡ ግና ኻባይ ርሑቕ እዩ። 9ትምህርቲ ትእዛዛት ሰብ እናመሃሩ፡ ንኸንቱ የምልኹኒ። 10ነቶም እኩባት ሰብ ጸዊዑ በሎም፡ ስምዑ፡ ኣስተውዕሉ፡ 11ንሰብ እቲ ኻብ ኣፍ ዝወጽእ እዩ ዘርክሶ እምበር፡ እቲ ናብ ኣፍ ዝእቱስ ንሰብ ኣየርክሶን። 12ሽዑ ደቀ መዛሙርቱ ቐሪቦም፡ ፈሪሳውያን ዘረባኻ ሰሚዖም ከም እተዓንቀፉስ ፈሊጥካዶ፧ በልዎ። 13ንሱ ግና መለሰ በለውን፡ ናይ ሰማይ ኣቦይ ዘይተኸሎ ዘበለ ዅሉ ተኽሊ ብሱሩ ክምንቈስ እዩ። 14ሕደግዎም፡ ዕዉራትን መራሕቲ ዕዉራትን እዮም። ንዕዉርስ ዕዉር እንተ መርሖ፡ ክልቲኦም ኣብ ጕድጓድ ይወድቁ። 15ጴጥሮስ፡ እዛ ምስላ እዚኣ ዀታ ተርጕመልና፡ ኢሉ መለሰሉ። 16የሱስ በለ፡ ንስኻትኩምውንዶ ኽሳዕ ሕጂ ኣየስተውዓልኩምን፧ 17ብኣፍ ዝኣቱ ዘበለ ናብ ከብዲ ኸም ዝወርድ እሞ ንግዳም ከም ዝወጽእዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ 18እቲ ኻብ ኣፍ ዝወጽእ ግና ካብ ልቢ እዩ ዝመጽእ እሞ፡ ንሱ እዩ ንሰብ ዘርክሶ። 19ካብ ልቢ ኽፉእ ሓሳብ፡ ቅትለት፡ ዝሙት፡ ምንዝር፡ ስርቂ፡ ምስክር ሓሶት፡ ጸርፊ ይወጽእ እዩ እሞ፡ 20እዚ እዩ ንሰብ ዘርክሶ እምበር፡ ብዘይተሓጽበ ኣእዳው ምብላዕሲ ንሰብ ኣየርክሶን። 21የሱስ ካብኡ ነቒሉ ናብ ወሰን ምድሪ ጢሮስን ሲዶናን ከደ። 22እንሆ ድማ፡ ከነኣናዊት ሰበይቲ ኻብ ወሰን እቲ ምድሪ መጸት። እናጨርሐት ድማ፡ ጐይታይ ወዲ ዳዊት፡ ንጓለይ ጋኔን ብኽፉእ ሒዝዋ ኣሎ እሞ፡ ምሓረኒ፡ በለት። 23ንሱ ግና ሓንቲ ቓል እኳ ኣይመለሰላን። ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ ቀሪቦም፡ ድድሕሬና ትጠርዕ ኣላ እሞ ኣፋንዋ፡ ኢሎም ለመንዎ። 24ንሱ ግና፡ ብዘይ ናብተን ጥፉኣት ኣባጊዕ ቤት እስራኤል ኣይተልኣኽኩን፡ ኢሉ መለሰ። 25ንሳ ግና፡ ጐይታይ፡ ርድኣኒ፡ እናበለት መጺኣ ሰገደትሉ። 26ንሱ ኸኣ መለሰ፡ እንጌራ ውሉድ ኣልዒልካ ነኽላባት ምሃብ ኣይግባእን እዩ፡ በላ። 27ንሳ ግና፡ እወ ጐይታይ፡ ኣኽላባት ድማ ካብ መኣዲ ጎይተቶም ዝወደቐ ርፍራፍ ይበልዑ እዮም፡ በለት። 28ሽዑ የሱስ፡ ኣቲ ሰበይቲ፡ እምነትኪ ዓባይ እያ፡ ከም ዝደለኽዮ ይኹነልኪ፡ ኢሉ መለሰላ። ካብታ ሰዓት እቲኣ ጓላ ሓወየት። 29የሱስ ካብኡ ሓሊፉ፡ ናብ ጥቓ ባሕሪ ገሊላ መጸ። ናብ ከረን ደዪቡ ኸኣ ተቐመጠ። 30ብዙሓት ሰብ ድማ፡ ሓንካሳት፡ ዕውራት፡ ጸማማት፡ ቈራያት፡ ብዙሓት ካልኦትውን ምሳታቶም ሒዞም፡ ናብኡ መጹ፡ ኣብ ጥቓ እግሪ የሱስውን ኣንበርዎም። ንሱ ኸኣ ኣሕወዮም። 31እቶም ህዝቢ ድማ ዓባሳት ክዛረቡ፡ ቈራያት ክሓውዩ፡ ሓንካሳት ክኸዱ፡ ዕዉራትውን ክርእዩ ርእዮም ተገረሙ እሞ፡ ንኣምላኽ እስራኤል ኣመስገንዎ። 32የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ጸዊዑ በሎም፡ እዞም ህዝቢ እዚኦም ሰለስተ መዓልቲ ምሳይ ገይሮም እዮም እሞ፡ ዝበልዕዎ ስለ ዘይብሎም፡ የደንግጹኒ ኣለዉ። ኣብ መገዲ ኸይደኽሙ ኸኣ፡ ጸሞም ከሳናብቶም ኣይፈቱን። 33ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ፡ ኣብዚ በረኻዚ ደኣ ንኽንድዚ ዝኣክል ህዝቢ ዘጽግብ እንጌራ ኻበይ ክንረክብ ኢና፧ በልዎ። 34የሱስ ድማ፡ ክንደይከ እንጌራ ኣሎኩም፧ በሎም። ንሳቶም ከኣ፡ ሾብዓተ፡ ሒደት ድማ ዓሳ፡ በልዎ። 35ነቶም ህዝቢ ድማ ኣብ ምድሪ ክቕመጡ ኣዘዞም። 36ነተን ሾብዓተ እንጌራን ነቶም ዓሳን ኣልዒሉ፡ ኣመስጊኑ ቘረሰ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ድማ ሃቦም፡፡እቶም ደቀ መዛሙርቲ ድማ ነቶም ህዝቢ ሃብዎም። 37ኵሎም በሊዖም ጸገቡ። ዝተረፈ ቘረርስ ድማ ሾብዓተ መሶብ መሊኦም ኣልዓሉ። 38እቶም ዝበልዑ ኸኣ፡ ብዘይ ኣንስትን ቈልዑን፡ ኣርባዕተ ሽሕ፡ ሰብኣይ ነበሩ። 39ነቶም ህዝቢ ምስ ኣሳናበተ፡ ናብ ጃልባ ኣትዩ ናብ ወሰን መግደላ መጸ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ወን.ማቴዎስ ምዕራፍ 16
1ፈሪሳውያን ሰዱቃውያንን ክፍትንዎ መጺኦም፡ ካብ ሰማይ ትእምርቲ ኸርእዮም ለመንዎ። 2ንሱ ግና መሊሱ በሎም፡ ምስ መሰየ ሰማይ ይቐይሕ ኣሎ እሞ፡ ጻሕያ ክኸውን እዩ፡ ትብሉ። 3ምስ ውግሐ፡ እቲ እተደበነወ ሰማይ ይቕይሕ ኣሎ እሞ፡ ሎሚ ዝናብ ክዘንም እዩ፡ ትብሉ። ገጽ ሰማይ ምፍላጥ ትፈልጡ ትእምርቲ ዘመናትከ ኽትፈልዩዶ ኣይኰነልኩምን፧ 4ክፉእን ዘማውን ወለዶ ትእምርቲ ይደሊ፡ ብዘይ ትእምርቲ ነብዪ ዮናስ ድማ ካልእ ትእምርቲ ኣይወሃቦን። ሓዲግዎም ከኣ ኸደ። 5ደቀ መዛሙርቱ ናብ ማዕዶ መጹ፡ ምምላእ እንጌራ ኸኣ ረስዑ። 6የሱስ ድማ፡ ካብ ማይ ብሑቝ ፈሪሳውያን ሰዱቃውያንን ተጠንቀቑን ተኣርነቡን፡ በሎም። 7ንሳቶም ግና፡ እንጌራ ስለ ዘይተማላእና እዩ፡ ኢሎም ብልቦም ሓሰቡ። 8የሱስ ፈሊጡ በሎም፡ ኣቱም ጕዱላት እምነት፡ ስለምንታይ እንጌራ ብዘይ ምምላእኩም ብልቡኹም ትሓስቡ፧ 9እቲ ሓሙሽተ እንጌራን ንሓሙሽተ ሽሕ ክንደይ መሶብ ከም ዘልዓልኩምዶ ገና ኣይተስተውዕሉን ኣይትዝክርዎንውን፧ 10ወይስ እቲ ሾብዓተ እንጌራ ነርባዕተ ሽሕ ድማ ክንደይ መሶብ ከም ዘልዓልኩም፧ 11እቲ ኻብ ማይ ብሑቝ ፈሪሳውያን ሰዱቃውያንን ክትእርነቡ ዝበልኩኹም ብናይ እንጌራ ኸም ዘይኰንኩ፡ ከመይ ዘይተስተውዕሉ፧ 12ንሳቶም ከኣ ካብ ትምህርቲ ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ክእርነቡ እምበር፡ ካብ ማይ ብሑቝ ፈሪሳውያን ሰዱቃውያንን ክእርነቡ ኸም ዘይበሎም፡ ሽዑ ኣስተውዓሉ። 13የሱስ ናብ ምድሪ ቂሳርያ ናይ ፊልጶስ ምስ መጸ፡ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ሰባት ንወዲ ሰብ መን እዩ ይብልዎ፧ኢሉ ሓተቶም። 14ንሳቶም ከኣ፡ ገሊኦም ዮሃንስ መጥመቕ፡ ካልኦት ድማ ኤልያስ፡ ገሊኦምውን ኤርምያስ ወይስ ሓደ ኻብ ነብያት ዝብሉ ኣለዉ፡ ኢሎም መለስሉ። 15ንሱ ኸኣ፡ ንስኻትኩምከ መን እዩ ትብሉኒ ኣሎኹም፧ በሎም። 16ስምኦን ጴጥሮስ፡ ንሳኻ ክርስቶስ ወዲ ህያው ኣምላኽ ኢኻ፡ ኢሉ መለሰሉ። 17የሱስ ከኣ መሊሱ በሎ፡ ስምኦን ወዲ ዮና፡ እዚ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ እምበር፡ ስጋን ደምን ኣይገለጸልካን እሞ፡ ብጹእ ኢኻ። 18ኣነ ኸኣ እብለካ ኣሎኹ፡ ንስኻ ጴጥሮስ ኢኻ። ንማሕበረይ ከኣ ኣብዛ ኸውሒ እዚኣ ኽሃንጻ እየ፡ ደጌታት ሲኦል ድማ ኣይሕይልዋን። 19መርሖታት መንግስተ ሰማያት ክህበካ እየ፡ ኣብ ምድሪ ዝኣሰርካዮ ዅሉ ኣብ ሰማይ እሱር ክኸውን እዩ። ኣብ ምድሪ ዝፈታሕካዮ ዅሉ ድማ ኣብ ሰማይ ፍቱሕ ክኸውን እዩ። 20ድሕርዚ ንደቀ መዛሙርቱ ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ ንሓደ እኳ ከይነግሩ ኣዘዞም። 21ካብ ሽዑ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ናብ የሩሳሌም ክድይብ፡ ብዓበይቲ ብሊቃውንቲ ካህናትን ብጻሕፍትን ብዙሕ ሓሳረ መከራ ኽጸግብ፡ ክቕተል፡ ብሳልሰይቲ መዓልቲውን ክትንስእ ከም ዝግብኦ፡ ክገልጸሎም ጀመረ። 22ጴጥሮስ ከኣ ንበይኑ ገይሩ፡ ይባልህካ እባ ደኣ፡ ጐይታይ፡ እዝስ ኣይብጻሕካ፡ ኢሉ ክገንሖ ጀመረ። 23የሱስ ግልጽ ኢሉ ንጴጥሮስ፡ ካባይ ርሓቕ፡ ሰይጣን፥ ናይ ሰብ እምበር፡ ናይ ኣምላኽ ኣይትሓስብን ኢኻ እሞ፡ ንኣይ መዓንቀፊ ኢኻ፡ በሎ። 24-25ሽዑ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ በሎም፡ ንህይወቱ ከድሕና ዝደሊ ከጥፍኣ እዩ። እቲ ንህይወቱ ምእንታይ ዘጥፍኣ ኸኣ ክረኽባ እዩ እሞ፡ ክስዕበኒ ዝፈቱ እንተሎ፡ ህይወቱ ቐቢጹ፡ መስቀሉ ኣልዒሉ ይስዓበኒ። 26ንሰብከ ዅላ ዓለም ረቢሑስ፡ ነፍሱ እንተ ኣጥፍአ፡ እንታይ ትጠቕሞ፧ ወይስ ሰብ በጃ ነፍሱ እንታይ ክህብ እዩ፧ 27ወዲ ሰብ ብኽብሪ ኣቦኡ ምስ መላእኽቱ ክመጽእ እዩ እሞ፡ ሽዑ ንነፍሲ ወከፍ ከከም ግብሩ ክህቦ እዩ። 28ካብ እዞም ኣብዚኣ ደው ኢሎም ዘለዉ፡ ንወዲ ሰብ ብመንግስቱ ክመጽእ ከሎ ኽሳዕ ዝርእይዎ፡ ንሞት ከቶ ዘይጥዕምዋ ኸም ዘለዉ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ወን.ማቴዎስ ምዕራፍ 17
1ድሕሪ ሹዱሽተ መዓልቲ ድማ የሱስ ንጴጥሮስን ንያእቆብን ንዮሃንስ ሓዉን ወሲዱ ንበይኖም ናብ ነዊሕ ከረን ኣደየቦም። 2ኣብ ቅድሚኦም ድማ ትርኢቱ ተለወጠ። ገጹ ኸም ጸሓይ ኣብርሀ፡ ክዳኑውን ከም ብርሃን ጸዕደወ። 3እንሆ ኸኣ፡ ሙሴን ኤልያስን ምስኡ እናተዛራረቡ ተራእይዎም። 4ጴጥሮስ መሊሱ ንየሱስ በሎ፡ ጐይታይ፡ ንኣና ኣብዚ ምንባር ጽቡቕ እዩ። ትፈቱ እንተ ዄንካስ፡ ኣብዚ ሰለስተ ዳስ ክንሰርሕ፡ ሓደ ንኣኻ፡ ሓደ ንሙሴ ሓደውን ንኤልያስ። 5ገና ኽዛረብ ከሎ፡ እንሆ፡ ብሩህ ደበና ኣጐልበቦም። እንሆ ኸኣ፡ ካብቲ ደበና፡ ዝፈትዎ ወደይ፡ ብእኡ ዝሰመርኩ እዚ እዩ፡ ንእኡ ስምዕዎ፡ ዝብል ድምጺ መጸ። 6ደቀ መዛሙርቱ እዚ ሰሚዖም ብግንባሮም ተደፍኡ፡ ብዙሕ ድማ ፈርሁ። 7የሱስ ቅርብ ኢሉ ተንከዮም፡ ተንስኡ ኣይትፍርሁውን፡ በሎም። 8ንላዕሊ ገጾም ቍሊሕ እንተ በሉ፡ ብዘይ የሱስ በይኑ ሓደ እኳ ኣይረኣዩን። 9ካብ ከረን ክወርዱ ኸለዉ፡ የሱስ ወዲ ሰብ ካብ ምዉታት ክሳዕ ዝትንስእ፡ እዚ ዝርኣኹምዎ ንሓደ እኳ ኣይትንገሩ፡ ኢሉ ኣዘዞም። 10ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ፡ ንምንታይ ደኣ ጸሓፍቲ፡ ቅድም ኤልያስ ክመጽእ ይግባእ፡ ዝብሉ፧ ኢሎም ሓተትዎ። 11ንሱ ኸኣ መሊሱ በሎም፡ ብሓቂ ቅድም ኤልያስ ይመጽእ፡ ንዅሉ ድማ የቕንዕ። 12ኣነ ግና እብለኩም ኣሎኹ ኤልያስ ቅድሚ ሕጂ መጺኡ፡ ከም ዝደለዩ ገበርዎ እምበር፡ ኣየለልይዎን። ንወዲ ሰብ ድማ ከምኡ ንሳቶም ሓሳረ መከራ ኸጽግብዎ እዮም። 13ሽዑ ደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ ዮሃንስ መጥመቕ ከም ዝበሎም ኣስተውዓሉ። 14ናብቲ እኩብ ህዝቢ ምስ በጽሑ፡ ሓደ ሰብኣይ ናብኡ ቐሪቡ ኢድ ነስኣሉ፡ 15በሎውን፡ ጐይታይ፡ ንወደይ ምሓረለይ። ሕማም ባርያ በብወርሒ ይለዓሎ፡ ሓሳር ድማ የጽግቦ። ንሱ ብዙሕ ሳዕ ኣብ ሓዊ፡ ብዙሕ ሳዕ ድማ ኣብ ማይ ይወድቕ እሞ፡ 16ናብ ደቀ መዛሙርትኻ ኣምጺአዮስ፡ ምሕዋዩ ሰኣኑ። 17የሱስ ግና መለሰ በለውን፡ ኣታ ዘይእሙንን ቄናንን ወለዶ፡ ክሳዕ መኣዝ ምሳኻትኩም ክነብር እየ፡ ክሳዕ መኣዝሲ ኽዕገሰኩም እየ፧ ናብዚ ናባይ ኣምጽእዎ። 18የሱስ ገንሖ፡ እቲ ጋኔን ከኣ ካብኡ ወጸ። እቲ ቘልዓ ድማ ካብቲ ሰዓት እቲኣ ሒዙ ሓወየ። 19ሽዑ ደቀ መዛሙርቱ ብሕት ኢሎም ናብ የሱስ መጺኦም፡ ስለምንታይ ደኣ ንሕና ምውጻኡ ዝሰኣንና፧ በልዎ። 20የሱስ ከኣ፡ እምነትኩም ስለ ዝጎደለት። ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ ክንዲ ፍረ ኣድሪ እትኣክል እምነት እንተ ኣልያትኩም፡ ነዚ ኸረን ድማ፡ ካብዚ ናብቲ ኣግልስ፡ ትብልዎ፡ ንሱ ኸኣ የግልስ፡ ዝሰኣነኩምውን የልቦን። 21እዚ ኸምዚ ዝበለ ዓሌት ግና ብዘይ ብጾምን ብጸሎትን ኣይወጽእን እዩ፡ በሎም። 22ኣብ ገሊላ ክመላለሱ ኸለዉ፡ የሱስ ወዲ ሰብ ኣብ ኢድ ሰብ ክትሓዝ ኣለዎ። 23ኽቐትልዎ፡ ብሳልሰይቲ መዓልቲ ድማ ክትንስእ እዩ፡ በሎም። ብዙሕ ከኣ ጐሃዩ። 24ናብ ቅፍርናሆም ምስ መጹ፡ ግብሪ ዘውጽኡ ናብ ጴጥሮስ መጺኦም፡ መምህርኩምሲ እቲ ኽልተ ድሪም ግብሪዶ ኣይፈድን እዩ፧ በልዎ። 25ንሱ፡ ይፈዲባ ኢሉ መለሰ። ናብ ቤት ምስ ኣተወ፡ የሱስ ቀዲሙ፡ ስምኦን፡ ነገስታት ምድርስ ግብርን ተጎን ካብ መን ይወስዱ፧ ካብ ደቆምዶ ወይስ ካብ ካልኦት፧ እንታይ ይመስለካ፧ በሎ። 26ጴጥሮስ፡ ካብ ካልኦትባ፡ በለ። የሱስ ከኣ፡ ደቆምስኸ ናጻ እዮም። 27ከይንዕንቕፎም ግና፡ ናብ ባሕሪ ኼድካ መቓጥን ደርቢ፡ ነቲ ቕድም እትሕዞ ዓሳ ውሰድ፡ ኣፉ ምስ ከፈትካ፡ ኣብኡ ሓደ እስታቴር ክትረክብ ኢኻ። ንእኡ ወሲድካ፡ ኣብ ክንዳይን ኣብ ክንዳኻን ሃቦም፡ በሎ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ወን.ማቴዎስ ምዕራፍ 18
1በታ ግዜ እቲኣ እቶም ደቀ መዛሙርቱ፡ ኣብ መንግስተ ሰማያት መን ኰን ይበልጽ፧ እናበሉ ናብ የሱስ ቀረቡ። 2ንሱ ድማ ቘልዓ ጸዊዑ ኣብ ማእከሎም ደው ኣበሎ። 3በለ ኸኣ፡ እንተ ዘይተመለስኩም፡ ከም ቈልዓውን እንተ ዘይኰንኩም፡ ናብ መንግስተ ሰማያት ከቶ ኸም ዘይትኣትዉ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 4እቲ ኸምዚ ቘልዓዚ ርእሱ ዘትሕት፡ ንሱ እዩ ኣብ መንግስተ ሰማያት ዝበልጽ። 5ንኸምዚ ዝበለ ቘልዓ ብስመይ ዝቕበል፡ ንኣይ ይቕበል። 6ካብዞም ብኣይ ዝኣምኑ ናእሽቱ ንሓደ ዘስሕት ግና፡ መጥሓን ኣድጊ ኣብ ክሳዱ ተኣሰሩ ኣብ ዓሚቕ ባሕሪ ክጥሕል ይሕሾ። 7መዓንቀፊ ኸይመጸ ኣይተርፍን እዩ እሞ፡ ወይለኣ ንዓለም ብሰሪ መዓንቀፊ። ምናዳ ነቲ ብሰሩ ስሕተት ዝመጽእ ሰብ ወይለኡ። 8ኢድካ ወይ እግርኻ እንተ ኣስሓተትካ፡ ካባኻ ቘሪጽካ ደርብያ። ክልተ ኢድን ክልተ እግርን ከሎካ ናብ ናይ ዘለኣለም ሓዊ ኻብ እትድርበስ፡ ቍሩጽ ወይስ ሓንካስ ኳንካ ናብ ህይወት ምእታው ይሕሸካ። 9ዓይንኻ እንተ ኣስሓተትካውን፡ ካባኻ ጐጥጕጥካ ደርብያ። ክልተ ዓይኒ ኸለዋኻ፡ ናብ ገሃነም ሓዊ ኻብ እትድርበስ፡ ነቛር ኾንካ ናብ ህይወት ምእታው ይሕሸካ። 10ካብዞም ናእሽቱ ንሓደ እኳ ኸይትንዕቑ ተጠንቀቑ። መላእኽቶም ኣብ ሰማያት ኵሉ ሳዕ ገጽ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ይርእዩ ኣለዉ፡ እብለኩም ኣሎኹ። 11ወዲ ሰብ ንዝጠፍአ ኸድሕን መጺኡ ኣሎ እሞ፡ 12እንታይ ይመስለኩም፧ ሚእቲ በጊዕ ዘለዋኦ ሰብኣይ፡ ካብአን ሓንቲ እንተ ጠፍኣቶ፡ ነተን ተስዓን ትሽዓተን ሐዲጉዶ ነታ ዝጠፍአት ክደሊ ናብ ኣኽራን ኣይከይድን፧ 13እንተ ረኸባ ድማ፡ ካብተን ተስዓን ትሽዓተን ዘይጠፍኣስ፡ ብእኣ ኣዝዩ ኸም ዝሕጎስ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 14ከምኡ ድማ ካብዞም ናእሽቱ ሓደ ኽጠፍእ፡ ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦኹም ኣይኰነን። 15ሓውካ እንተ በደለካ፡ ኪድ፡ ንስኻን ንሱን ኣብ በይንኹም ግንሓዮ። እንተ ሰምዓካ፡ ንሓውካ ረባሕካዮ። 16እንተ ዘይሰምዓካ ግና፡ ብኣፍ ክልተ ወይስ ሰለስተ ምስክር ኵሉ ነገር ክጸንዕ፡ ሓደ ወይ ክልተ ምሳኻ ውሰድ። 17ንኣታቶም እንተ ዘይሰምዖም ከኣ፡ ንማሕበር ንገራ። ነታ ማሕበር እንተ ዘይሰምዓ ግና፡ ከም ኣረምን ከም ተጋውን ርኣዮ። 18ኣብ ምድሪ ዝኣሰርኩምዎ ዅሉ ኣብ ሰማይ እሱር ክኸውን እዩ። ኣብ ምድሪ ዝፈታሕኩምዎ ዅሉ ድማ ኣብ ሰማይ ፍቱሕ ከም ዝኸውን፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 19-20ክልተ ወይ ሰለስተ ዀይኖም ብስመይ ኣብ እተኣከቡሉ ኣነ ኸኣ ኣብኡ ኣብ ማእከሎም እየ እሞ፡ ክልተ ካባኻትኩም ኣብ ምድሪ ብዝልምንዎ ነገር ኵሉ እንተ ተሳማምዑ፡ ካብቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ክውሃቦም እዩ፡ ኢለ ኸም ብሓድሽ እብለኩም ኣሎኹ። 21ሽዑ ጴጥሮስ ቅርብ ኢሉ፡ ጐይታይ፡ ሓወይ እንተ በደለንስ፡ ክንደይ ሳዕ ክሓድገሉ፧ ክሳዕ ሾብዓተዶ፧ በሎ። 22የሱስ በሎ፡ ክሳዕ ሰብዓ ሳዕ ሾብዓተ እምበር፡ ክሳዕ ሾብዓተ ሳዕ ኣይብለካን። 23ስለዚ መንግስተ ሰማያት ምስ ባሮቱ ኽጸባጸብ ዝደለየ ንጉስ ትመስል። 24ክጸባጸብ ምስ ጀመረ፡ እልፊ መክሊት ዕዳ ዘለዎ ናብኡ ኣቕረቡ። 25ዝፈድዮ ምስ ሰኣነ ግና፡ እቲ ጐይታኡ፡ ንሱን ሰበይቱን ደቁን ዘለዎ ዅሉን ክሸይጥ እሞ እቲ ዕዳ ኽፍደ ኣዘዘ። 26ሽዑ እቲ ባርያ ተደፊኡ፡ ጐይታይ፡ ተዓገሰኒ፡ ኵሉ ኸኣ ክፈድየካ እየ፡ ኢሉ ሰገደሉ። 27ጐይታኡ ድማ ነቲ ባርያ መሓሮን ፈትሖን፡ ዕዳኡውን ሓደገሉ። 28እቲ ባርያ ምስ ወጸ ግና፡ ካብቶም ብጾቱ ሚእቲ ዲናር ዕዳ ዘለዎ ሓደ ባርያ ረኸበ። ሒዙ ኸኣ፡ ኣባኻ ዘሎ ዕዳ ፍደየኒ፡ ኢሉ ሓነቖ። 29ሽዑ እቲ ብጻይ ባርያ፡ ተዓገሰኒ፡ ኵሉ ኽፈድየካ እየ፡ ኢሉ ተደፊኡ ለመኖ። 30ንሱ ግና ኣበዮ፡ ከይዱ ድማ፡ ክሳዕ ዕዳኡ ዝፈዲ፡ ኣእሰሮ። 31እቶም ብጾቱ ባሮት ዝገበሮ ርእዮም ብዙሕ ጐሃዩ። ከይዶም ከኣ፡ ዝዀነ ዅሉ ንጐይታኦም ነገርዎ። 32ሽዑ ጐይታኡ ጸዊዑ፡ እታ ኽፉእ ባርያ፡ ኣነ ኽንዲ ዝለመንካኒ ብዘሎ ዕዳኻ ሓደግኩልካ። 33ንስኻኸ ኸምቲ ኣነ ዝመሓርኩኻዶ፡ ነቲ ብጻይካ ኽትምሕሮ ኣይምተገብኣካን፧ በሎ። 34ጐይታኡ ዀርዩ፡ ኵሉ ዕዳኡ ኽሳዕ ዝፈዲ፡ ንዘጽብቡሉ ኣሕሊፉ ሃቦ። 35ነፍሲ ወከፍኩም ነንሓዉ ነቲ በደሉ በብልብኹም ይቕረ እንተ ዘይበልኩምሉ፡ እቲ ሰማያዊ ኣቦይ ድማ ከምኡ ኽገብረኩም እዩ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ወን.ማቴዎስ ምዕራፍ 19
1ኰነ ድማ፡ የሱስ እዚ ነገርዚ ምስ ወድአ፡ ካብ ገሊላ ነቒሉ፡ ብስግር ዮርዳዮስ ኣቢሉ ናብ ወሰን ይሁዳ ኸደ። 2ብዙሕ ህዝቢ ሰዓቦ፡ ኣብኡ ኸኣ ኣሕወዮም። 3ፈሪሳውያን ድማ፡ ሰብኣይሲ ነታ ሰበይቱ ብዝዀነ ምኽንያት ክፈትሓዶ ተፈቒድሉ እዩ፧ ኢሎም ክፍትንዎ ናብኡ መጹ። 4መሊሱ በሎም፡ እቲ ካብ መጀመርታ ዝፈጠረ፡ ሰብኣይን ሰበይትን ገይሩ ፈጠሮም፡ 5ድማ፡ ምእንትዚ ሰብኣይ ነቦኡን ነዲኡን ይሓድግ፡ ምስ ሰበይቱ ኸኣ ይጣበቕ፡ ክልቲኦም ሓደ ስጋ ይዀኑ፡ ከም ዝበለዶ ኣየንበብኩምን፧ 6ደጊም ሓደ ስጋ እዮም እምበር፡ ክልተ ኣይኰኑን። ነቲ ኣምላኽ ዘጋጠሞስ፡ ሰብ ኣይፍለዮ። 7ንሳቶም፡ ስለምንታይ ደኣ ሙሴ፡ ጽሕፈት መፍትሒኣ ሂቦም፡ ክፈትሕዋ ኣዘዘ፧ በልዎ። 8ንሱ፡ ሙሴስ ብሰሪ ትሪ ልብኹም ምፍታሕ ኣንስትኹም ፈቐደልኩም፡ ካብ መጀመርታ ግና ከምኡ ኣይነበረን፡ በሎም። 9ኣነ ግና፡ እቲ ንሰበይቱ ብዘይ ምኽንያት ዝሙት ዝፈትሓ ኻልእውን ዘእቱ ይዝሙ፡ እቲ ፍትሕቲ ዘእትውን ይዝሙ፡ እብለኩም ኣሎኹ። 10እቶም ደቀ መዛሙርቱ፡ ስርዓት ሰብኣይን ሰበይትን ከምዚ እንተ ዀይኑስ፡ ምትእትታው ጽቡቕ ኣይኰነን፡ በልዎ። 11ንሱ ግና በሎም፡ እዚ ነገርዚ፡ ብዘይ ነቶም እተዋህቦም፡ ንዅሉስ ክቕበሎ ኣይኰነሉን። 12ካብ ከርሲ ኣዲኦም ስሉባት ኰይኖም እተወለዱ ኣለዉ፡ ሰባት ዝሰለብዎም ስሉባትውን ኣለዉ፡ ምእንቲ መንግስተ ሰማያት ኢሎም ባዕሎም እተሰልቡ ስሉባትውን ኣለዉ እሞ፡ ክቕበሎ ዝኽእል ይቀበሎ። 13ሽዑ ኢዱ ኣንቢሩ ኽጽልየሎም፡ ቈልዑ ናብኡ ኣምጽኡ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ ገንሕዎም። 14የሱስ ግና፡ መንግስተ ሰማያት ንኸምዚኣቶም ዝበሉ እያ እሞ፡ ሕደጉ፡ ቈልዑ ናባይ ንምምጻእ ኣይትኸልክልዎም፡ በለ። 15ኢዱ ኣንቢሩሎም ከኣ፡ ካብኡ ኸደ። 16እንሆ፡ ሓደ ናብኡ ቐሪቡ፡ ዎ መምህር፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክረክብሲ፡ እንታይ ጽቡቕ ግብሪ እግበር፧ በለ። 17ንሱ ኸኣ በሎ፡ ንምንታይ ብዛዕባ ጽቡቕ ትሓተኒ ኣሎኻ፧ እቲ ጽቡቕሲ ሓደ እዩ። ናብ ህይወት ክትኣቱ እንተ ደሌኻ ግና፡ እተን ትእዛዛት ሓሉ። 18ንሱ፡ ኣየኖት፧ በሎ። የሱስ ከኣ፡ እኒ ኣይትቕተል፡ ኣይትዘሙ፡ ኣይትስረቕ፡ ብሓሶት ኣይትመስክር፡ 19ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር፡ ብጻይካውን ከም ነፍስኻ ፍቶ፡ በሎ። 20እቲ ጐበዝ፡ እዚ ዅሉ ካብ ንእስነተይ ሒዘ እሕልዎ ኣሎኹ፡ እንታይ ደኣ እዩ ዝጐድለኒ ዘሎ፧ በሎ። 21የሱስ ከኣ፡ ፍጹም ክትከውን እንተ ደሌኻስ፡ ኪድ፡ ዘለካ ሼጥካ ንድኻታት ሃብ፡ ኣብ ሰማይ ድማ መዝገብ ክትረክብ ኢኻ እሞ፡ ንዓ ስዓበኒ፡ በሎ። 22እቲ ጐበዝ፡ ብዙሕ ጥሪት ስለ ዝነብሮ፡ ዘረባኡ ሰምዐ፡ እናጐሃየ ኸደ። 23የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ በሎም፡ ምእታው ሃብታም ናብ መንግስተ ሰማያት ጭንቂ ምዃኑ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 24ሃብታም ናብ መንግስተ ኣምላኽ ካብ ዝኣቱስ፡ ገመል ብዓይኒ መርፍእ ክትሓልፍ ይቐልል፡ ኢሉ ኸም ብሓድሽ እብለኩም ኣሎኹ። 25እቶም ደቀ መዛሙርቲ እዚ ምስ ሰምዑ፡ ንመን ደኣ ዀን ክድሕን ይከኣሎ፧ እናበሉ ብዙሕ ተገረሙ። 26የሱስ ጠመቶም፡ እዚ ንሰብ ኣይከኣሎን፡ ንኣምላኽ ግና ኵሉ ይከኣሎ እዩ፡ በሎም። 27ሽዑ ጴጥሮስ መሊሱ፡ እንሆ፡ ንሕና ዅሉ ሓዲግና ሰዓብናካ። እንታይ ኰን ክንረክብ ኢና፧ በሎ። 28የሱስ በሎም፥ ንስኻትኩም ዝሰዓብኩምኒ፡ ብሓድሽ ልደት በታ ወዲ ሰብ ኣብ ዝፋን ክብሩ ዝቕመጠላ ግዜ፡ ንስኻትኩም ንዓሰርተው ክልተ ነገድ እስራኤል ከም እትፈርዱ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 29ስለ ስመይ ኢሉ፡ ኣባይቲ ዀነ፡ ወይስ ኣሕዋት፡ ወይ ኣሓት፡ ወይ ኣቦ፡ ወይ ኣደ፡ ወይ ሰበይቲ፡ ወይ ውሉድ፡ ወይ ግርሁ ዝሓደገ፡ ሚእቲ ኻዕበት ኽረክብ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወትውን ክወርስ እዩ። 30ብዙሓት ቀዳሞት ዳሕሮት፡ ዳሕሮት ድማ ቀዳሞት ክዀኑ እዮም።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ወን.ማቴዎስ ምዕራፍ 20
1መንግስተ ሰማያት ነታኽልቲ ወይኑ ሰብ ውዕለት ክሳማማዕ፡ ኣንጊሁ ዝወጸ ብዓል ቤት ትመስል። 2ምስቶም ሰብ ውዕለት ንመዓልቲ ሓደ ዲናር ምስ ተሳማምዐ፡ ናብ ኣታኽልቲ ወይኑ ሰደዶም። 3ድማ ብሳልሰይቲ ሰዓት ኣቢሉ ምስ ወጸ፡ ካልኦት ከኣ ዕዮ ዘይብሎም ኣብ ዕዳጋ ደው ኢሎም ረኣየ። 4ንኣታቶም ከኣ፡ ንስኻትኩምውን ናብቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ኺዱ እሞ እቲ ዝግባእ ክህበኩም እየ፡ በሎም። ንሳቶም ከኣ ኸዱ። 5ከም ብሓድሽ ድማ ብሳድሰይቲ ሰዓትን ብታስዐይቲ ሰዓትን ኣቢሉ ወጺኡ፡ ከምኡ ገበረ። 6ድማ ብመበል፡ ዓሰርተው ሓደ ሰዓት ወጺኡ፡ ካልኦት ደው ኢሎም ረኸበ፡ ንምንታይከ ምሉእ መዓልቲ ብዘይ ዕዮ ኣብዚ ደው እትብሉ፧ በሎም። 7ንሳቶም፡ ውዕለት ዘውዕለና ስኢንና፡ በልዎ። ንሱ፡ ንስኻትኩም ድማ ናብቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ኺዱ፡ እቲ ዝግባእ ከኣ ትወስዱ፡ በሎም። 8ምስ መሰየ፡ እቲ ብዓል ኣታኽልቲ ወይኒ ንኣዛዝ ቤቱ፡ ነቶም ሰብ ውዕለት ጸውዓዮም፡ ካብ ዳሕሮት ጀሚርካ ኸኣ ክሳዕ እቶም ቀዳሞት፡ ውዕለቶም ሃቦም፡ በሎ። 9እቶም ሰብ መበል ዓሰርተው ሓደ ሰዓት ቀሪቦም ደዲናሮም ተቐበሉ። 10እቶም ቀዳሞት ምስ ቀረቡ ግና፡ ዝበዝሕ ዝቕበሉ መሰሎም። ንሳቶም ከኣ ደዲናሮም ተቐበሉ። 11ምስ ተቐበሉ፡ በቲ ብዓል ቤት ኣዕዘምዘሙ፡ 12ነዞም ሓንቲ ሰዓት ጥራይ ዝዓየዩ ዳሕሮት፡ ንሕና ድኻም መዓልትን ዳህርን ዝጾርና፡ ምሳና ኣዳላደልካዮም፡ በልዎ። 13ንሱ ኸኣ መለሰ፡ ንሓደ ኻባታቶም በሎ፡ ዓርከይ፡ ኣይዓመጽኩኻን። ብሓደ ዲናርዶ ኣይተሰማማዕካንን፧ 14ዝብጽሓካ ደኣ ሒዝካ ኺድ። ነዚ ዳሕራይ ድማ ክንድቲ ናትካ ኽህቦ ፍቓደይ እዩ። 15ወይስ በቲ ገንዘበይ ዝደሌኽዎ ኽገብርዶ ኣይተፈቕደለይን እዩ፧ ወይስ ኣነ ሕያዋይ ብምዃነይዶ ዓይንኻ ቐናእ እያ፧ 16ጽዉዓትሲ ብዙሓት እዮም፡ ሕሩያት ግና ሒደት እዮም እሞ ከምኡ እቶም ዳሕሮት ቀዳሞት ክዀኑ፡ እቶም ቀዳሞት ከኣ ዳሕሮት ክዀኑ እዮም።
17የሱስ ናብ የሩሳሌም ክድይብ ከሎ፡ ነቶም ዓሰርተው ክልተ ደቀ መዛሙርቲ ንበይኖም ናብ መገዲ ወሰዶም በሎም ድማ፡ 18እንሆ፡ ናብ የሩሳሌም ንድይብ ኣሎና፡ ወዲ ሰብ ከኣ ንሊቃውንቲ ኻህናትን ንጸሓፍትን ኣሕሊፎም ክህብዎ፡ ሞትውን ክፈርዱሉ እዮም። 19ከላግጹሉን ክገርፍዎን ክሰቕልዎን፡ ነህዛብ ኣሕሊፎም ክህብዎ እዮም፡ ብሳልሰይቲ መዓልቲውን ክትንስእ እዩ።
20ሽዑ ኣደ ደቂ ዘብዴዎስ ምስ ደቃ መጸት፡ ተደፊኣ ድማ ካብኡ ገለ ለመነት። 21ንሱ ኸኣ፡ እንታይ ትደልዪ፧ በላ። ንሳ፡ እዞም ክልተ ደቀይ ኣብታ መንግስትኻ ሓደ ብየማንካ፡ ሓደ ብጸጋምካ ክቕመጡ፡ በል፡ በለቶ። 22የሱስ ግና መሊሱ፡ እትልምንዎ ኣይትፈልጡን። እታ ኣነ ዝሰትያ ጽዋዕ ክትሰትዪኸ ትኽእሉዶ፧ በለ። ንሳቶም ንኽእል፡ በልዎ። 23ንሱ ኸኣ፡ ጽዋአይሲ ኽትሰትዩ ኢኹም፡ ኣብ የማነ ጸጋመይ ምቕማጥ ግና ነቶም ኣቦይ ዘዳለወሎም እዩ እምበር፡ ኣነ ኣይኰንኩን ዝህቦ፡ በሎም። 24እቶም ዓሰርተ እዚ ሰሚዖም፡ በቶም ክልተ ኣሕዋት ተናደዱ። 25የሱስ ከኣ ጸዊዑ በሎም፡ ነህዛብ ሸየምቶም ከም ዝገዝእዎም፡ ዓበይቶም ድማ ከም ዝመልክዎም፡ ትፈልጡ ኢኹም። 26ኣባታትኩም ግና ከምዚ ኣይኰነን፡ እቲ ኻባታትኩም ዓብዪ ምኻን ዝደልስ፡ ግዙእኩም ደኣ ይኹን። 27እቲ ኻባታትኩም ምርኡይ ክኸውን ዝደሊ ኸኣ፡ ባርያኹም ይኹን። 28ወዲ ሰብ ድማ፡ ከገልግልን ህይወቱ ምእንቲ ብዙሓት በጃ ኸሕልፍን እምበር፡ ከገልግልዎ ኢሉ ኣይመጸን።
29ካብ ያሪኮ ኽወጹ ኸለው፡ ብዙሓት ህዝቢ ሰዓብዎ። 30እንሆ ድማ፡ ክልተ ዕዉራት ኣብ ወሰን መገዲ ተቐሚጦም ነበሩ። የሱስ ይሓልፍ ከም ዘሎ ምስ ሰምዑ፡ ጐይታይ ወዲ ዳዊት፡ ምሓረና፡ እናበሉ ጨርሑ። 31እቶም ህዝቢ ግና፡ ስቕ በሉ፡ ኢሎም ገንሕዎም። ንሳቶም ከኣ፡ ጐይታይ ወዲ ዳዊት፡ ምሓረና፡ ኢሎም ከኣ ኣዝዮም ጨርሑ። 32የሱስ ከኣ ደው ኢሉ ጸዊዑ፡ እንታይ ክገብረልኩም ትደልዩ ኣሎኹም፧ በሎም። 33ንሳቶም፡ ጐይታይ፡ ኣዒንትና ክኽፈታ፡ በልዎ። 34የሱስ ደንጊጹሎም ኣዒንቶም ተንከየ፡ ብኡብኡ ረኣዩ ሰዓብዎ ድማ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ወን.ማቴዎስ ምዕራፍ 21
1ናብ የሩሳሌም ምስ ቀረቡ እሞ ኣብ ጥቓ ደብረ ዘይቲ ናብ ዘላ ቤትፋጌ ምስ መጹ፡ ሽዑ የሱስ ካብ ደቀ መዛሙርቱ ኽልተ ለኣኸ። 2በሎም ከኣ፡ ኣብ ቅድሜኹም ናብ ዘላ ዓዲ ኺዱ፡ ብኡብኡ እስርቲ ኣድጊ፡ ዒሉኣ ድማ ምስኣ፡ ክትረኽቡ ኢኹም። 3ፈቲሕኩም ከኣ ኣምጽኡለይ። ሓደኳ ገለ እንተ በለኩም፡ ጐይታ ይደልዮም ኣሎ፡ በልዎ። ብኡብኡ ድማ ክሰዶም እዩ። 4-5እቲ ብነብዪ፡ ንጓል ጽዮን፡ እንሆ ንጉስኪ፡ ለዋህ፡ ኣብ ኣድግን ኣብ ዒሉ ኣድጊ ጽዕነትን ተወጢሑ ናባኺ ይመጽእ ኣሎ፡ በልዋ፡ ዝብል ክፍጸም እዚ ዅሉ ዀነ። 6ደቀ መዛሙርቱ ኸይዶም፡ ከምቲ የሱስ ዝኣዘዞም ገበሩ። 7ኣድግን ዒሉን ኣምጽኡሉ፡ ክዳውንቶም ድማ ጠይቂ ገበሩሎም፡ ንሱ ኸኣ ተወጥሐ። 8ካብቶም ህዝቢ ዝበዝሑ፡ ክዳውንቶም ኣብ መገዲ ኣንጸፉ፡ ካልኦት ድማ ካብ ኣእዋም ጨጨንፈሩ እናሰልዑ፡ ኣብ መገዲ ነስነሱ። 9ቀቅድሚኡ ዝኸዱ፡ ደድሕሪኡውን ዝስዕቡ ህዝቢ ዓው ኢሎም፡ ሆሳእና ንወዲ ዳዊት፡ ብስም እግዚኣብሄር ዝመጽእ ብሩኽ እዩ፡ ሆሳእና ኣብ ኣርያም፡ በሉ። 10ናብ የሩሳሌም ምስ ኣተዉ እታ ኸተማ ብዘላ፡ መን እዩ እዚ፧ ኢላ ተበዓደት። 11እቶም ህዝቢ ድማ፡ እዚ ነብዪ የሱስ፡ በዓል ናዝሬት ናይ ገሊላ እዩ፡ በሉ። 12የሱስ ናብ መቕደስ ኣምላኽ ኣተወ፡ ንዅሎም ሸየጥትን ተሻየጥትን ከኣ ካብ ቤት መቕደስ ኣውጽአ፡ ሰደቓ ሸረፍትን መንበር ሸየጥቲ ርግብን ደንከለ። 13ንሱ ኸኣ፡ ቤተይ ቤት ጸሎት ትብሃል፡ ጽሑፍ እዩ፡ ንስኻትኩም ግና ብዓቲ ጐሓሉት ገበርኩምዋ፡ በሎም። 14ዕዉራትን ሓንካሳትን ከኣ ናብ ቤት መቕደስ ናብኡ መጹ፡ ንሱ ድማ ኣሕወዮም። 15ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን ነቲ ዝገበሮ ተኣምራት ቈልዑውን ኣብ ቤተ መቕደስ ዓው ኢሎም፡ ሆሳእና ንወዲ ዳዊት፡ ክብሉን ምስ ረኣዩ፡ ተናደዱ እሞ፡ 16እዚኣቶም ዝብልዎስ ትሰምዕዶ ኣሎኻ፧ በልዎ። የሱስ ከኣ፡ እወ፡ ካብ ኣፍ ቈልዑን ሕጻናትን ምስጋና ኣዳሎኻ፡ ዝብልሲ እኳዶ ኣየንበብኩምን፧ በሎም። 17ሓዲግዎም ናብ ወጻኢ እታ ኸተማ ናብ ቢታንያ ወጸ፡ ኣብኣ ከኣ ሓደረ። 18ንግሆ ናብ ከተማ ክምለስ ከሎ ድማ፡ ጠመየ። 19ኣብ ጥቓ መገዲ ሓንቲ ኦም በለስ ርእዩ ናብኣ ኸደ። ቈጽሊ ጥራይ እምበር፡ ሓንቲ እኳ ኣይረኸበላን እሞ፡ ደጊም ኣባኺ ንሓዋሩ ፍረ ኣይፍረ፡ በላ። እታ ኦም በለስ ብኡብኡ ነቐጸት። 20ደቀ መዛሙርቱ ርእዮም፡ እዛ ኦም በለስ ከመይ ኢላ ሕጂ ንሕጂ ነቐጸት፧ ኢሎም ተገረሙ። 21-22የሱስ መሊሱ በሎም፡ እምነት እንተ ኣልያትኩም እሞ እንተ ዘይተዋላወልኩም፡ እዛ ኦም በለስ ከም ዝዀነቶ ጥራይ ኣይትገብሩን፡ ነዚ ኸረን እኳ፡ ተንስእ፡ ናብ ባሕሪ ውደቕ፡ ትብልዎ እሞ ከም ዝኸውን፡ ኣሚንኩም ብጸሎት እትልምንዎ ዅሉ ኸምእትረኽቡ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 23ናብ ቤተ መቕደስ ኣትዩ ክምህር ከሎ፡ ሊቃውንቲ ኻህናት ዓበይቲ ህዝብን ናብኡ መጺኦም፡ በየናይ ስልጣን እዚ ትገብር ኣሎኻ፧ እዚ ስልጣን እዝስ መን ሃበካ፧ በልዎ። 24የሱስ ከኣ መሊሱ በሎም፡ ኣነ ድማ ሓንቲ ነገር ክሓተኩም። እዚኣ እንተ ነገርኩምኒ፡ ኣነ ኸኣ በየናይ ስልጣን እዚ ከም ዝገብር ክነግረኩም እየ። 25ጥምቀት ዮሃንስ ካበይ እያ፧ ካብ ሰማይዶ ወይስ ካብ ሰብ፧ ንሓድሕዶም ተዛራረቡ፡ እናበሉ፡ ካብ ሰማይ እንተ በልናዮ፡ ከመይ ደኣ ዘይትኣመንኩምዎ፧ ክብለና እዩ። 26ካብ ሰብ እንተ በልናዮ ግና፡ ንዮሃንስ ኵሎም ከም ነብዪ ይቘጽርዎ ኣለዉ እሞ፡ ንህዝቢ ንፈርህ። 27ንየሱስ ከኣ፡ ኣይንፈልጥን፡ ኢሎም መለስሉ። ንሱ ድማ፡ ኣነ ኸኣ በየናይ ስልጣን እዚ ኸም ዝገብር፡ ኣይነግረኩምን፡ በሎም። 28ግናኸ እንታይ ይመስለኩም፧ ሓደ ሰብኣይ ክልተ ደቂ ነበርዎ። ናብቲ ቐዳማይ ቀሪቡ፡ ወደይ፡ ሎሚ ናብ ኣታኽልቲ ወይነይ ውፈር እሞ ዕየ፡ በሎ። 29ንሱ፡ እምቢ፡ ኢሉ መለሰ። ደሓር ግና ተጣዒሱ ወፈረ። 30ናብቲ ኻልኣይ ቀሪቡ ኸምኡ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ሕራይ ጐይታይ፡ ኢሉ መለሰ። ግናኸ ኣይወፈረን። 31ካብ ክልቲኦም ኣያናዮም እዩ ፍቓድ ኣቦኡ ዝገበረ፧ ንሳቶም ከኣ፡ እቲ ቐዳማይ፡ በልዎ። የሱስ በሎም፡ ተገውትን ኣመናዝርን ናብታ መንግስቲ ኣምላኽ ቅድሜኹም ከም ዝኣትዉ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 32ዮሃንስ ብቕኑዕ መገዲ ናባኻትኩም መጺኡ ነበረ እሞ፡ ተገውትን ኣመናዝርን ደኣ ኣመንዎ እምበር፡ ንስኻትኩምሲ ኣይኣመንኩምዎን። ንስኻትኩም ግና ነዚ ርኢኹም፡ ክትኣምንዎ ደሓር እኳ ኣይተጠዓስኩምን። 33ካልእ ምስላ ስምዑ፡ ኣታኽልቲ ወይኒ ዝተኸለ ብዓል ቤት ነበረ። ሓጹር ሓጸሮ፡ መሓምተሊ ድማ ኰዓተሉ፡ ግምቢውን ሰርሓሉ፡ ንዓየይቲ ብመገስ ሂብዎም ከኣ፡ ናብ ካእል ሃገር ገሸ። 34ግዜ ፍርያት ምስ በጽሐ፡ ፍሪኡ ኸምጽኡሉ ባሮት ናብቶም ዓየይቲ ለኣኸ። 35እቶም ዓየይቲ ኸኣ ነቶም ባሮቱ ሒዞም ንገሊኦም ወቕዕዎም፡ ንገሊኦም ቀተልዎም፡ ንገሊኦም ብእምኒ ጨፍለቕዎም። 36ከም ብሓድሽ ካብቶም ቀዳሞት ዝበዝሑ ኻልኦት ባሮት ለኣኸ። ንኣታቶም ድማ ከምኡ ገበርዎም። 37መወዳእታኡ፡ ንወደይሲ ይሓፍርዎ ግዲ ይዀኑ፡ ኢሉ ወዱ ለኣኸ። 38እቶም ዓየይቲ ነቲ ወዱ ምስ ረኣይዎ፡ ንሓድሕዶም፡ እዚ እቲ ወራሲ እዩ። ንዑ፡ ንቕተሎ እሞ ርስቱ ንሓዝ፡ ተባሃሃሉ። 39ሒዞም፡ ካብ ቦታ ኣታኽልቲ ወይኒ ንወጻኢ ኣውጺኦም ቀተልዎ። 40እቲ ጐይታ ኣታኽልቲ ወይኒ ምስ መጸስ፡ ነቶም ዓያይቲ እቲኦም እንታይ ክገብሮም እዩ፧ 41ንሳቶም ከኣ፡ ነቶም ክፉኣት ብኽፉእ የጥፍኦም፡ እቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ኸኣ፡ ፍሪኡ በብግዜኡ ንዝህቡ ኻልኦት ዓየይቲ ብመገስ ይህቦም፡ በልዎ። 42የሱስ ከኣ በሎም፡ እቶም ነደቕቲ ዝነዓቕዎ እምኒ፡ ንሱ ርእሲ መኣዝን ኰነ፡ እዚ ኻብ እግዚኣብሄር ኰነ፡ ኣብ ኣዒንትናውን ግሩም እዩ፡ ዝብል ጽሑፋትዶ ከቶ ኣየንበብኩምን፧ 43ስለዚ ድማ እታ መንግስቲ ኣምላኽ ካባኻትኩም ክትውሰድ፡ ፍሪኣ ንዝፈሪ ህዝቢውን ክትወሃብ እያ፡ እብለኩም ኣሎኹ። 44ኣብቲ እምኒ እቲ ዝወደቐ ይስብር፡ እቲ እምኒ እቲ ዝወደቖ ድማ ይጭፍለቕ። 45ሊቃውንቲ ኻህናትን ፈሪሳውያንን ምስላታቱ ምስ ሰምዑ፡ ብዛዕባኦም ከም እተዛረቦ ኣስተውዓሉ። 46ክሕዝዎ ድማ ደለዩ፡ ግናኸ ኣብቶም ህዝቢ ኸም ነብዪ ነበረ እሞ፡ ንኣታቶም ፈርሁ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ወን.ማቴዎስ ምዕራፍ 22
1የሱስ መለሰ፡ ከም ብሓድሽ ድማ ብምስላ ከምዚ ኢሉ ነገሮም፡ 2መንግስተ ሰማያት ንወዱ መርዓ ዝገበረ ንጉስ ትመስል። 3ነቶም ናብ መርዓ እተዓደሙ ኽጽውዑ ባሮቱ ለኣኸ፡ ግናኸ ምምጻእ ኣበዩ። 4ከም ብሓድሽ ድማ ነቶም ዕዱማት፡ እንሆ፡ መኣደይ ኣዳሎኹ፡ ሰባሕተይን ኣስዋረይን ሓሪደ፡ ኵሉ ተዳልዩ ኣሎ እሞ፡ ናብ መርዓ ንዑ፡ በልዎም፡ ኢሉ ኻልኦት ባሮት ለኣኸ። 5ንሳቶም ግና ሸለል ኢሎም፡ ገሊኦም ናብ ግራቶም፡ ገሊኦም ከኣ ናብ ነግዶም ከዱ። 6እቶም ዝተረፉ ኸኣ ነቶም ባሮቱ ሒዞም ኣዋረድዎም ቀተልዎምን። 7እቲ ንጉስ ተቘጥዐ፡ ጭፍራኡ ልኢኹ፡ ነቶም ቀተልቲ ኣጥፍአ፡ ከተማኦም ድማ ተኰሰ። 8ሽዑ ንባሮቱ፡ እቶም ዕዱማት ደኣ ዘይብቑዓት ኰይኖም እምበር፡ መርዓስ እተዳለወ እዩ፡ 9ደጊም ናብ ቀራና መገዲ ኺዱ እሞ ንዝረኸብኩምዎ ዘበለ ናብ መርዓ ጸውዑ፡ በሎም። 10እቶም ባሮት እቲኦም ናብ መገዲ ወጺኦም፡ ንዝረኸብዎ ዘበለ፡ ንሕሱማትን ንሕያዎትን፡ ኣከብዎም። እቲ ዳስ መርዓ ብተቐማጦ መልአ። 11እቲ ንጉስ ነቶም ተቐማጦ ኽርኢ ምስ ኣተወ፡ ክዳን መርዓ ዘይተኸደነ ሰብኣይ ረኣየ እሞ፡ 12ኣታ ዓርከይ፡ ከመይከ ኽዳን መርዓ ዘይብልካ ናብዚ ኣቶኻ፧ በሎ። ንሱ ግና ኣጽቀጠ። 13ሽዑ እቲ ንጉስ ንገላዉኡ በሎም፡ ኣእዳዉን ኣእጋሩን ኣሲርኩም፡ ኣብ ናይ ወጻኢ ጸልማት ደርብይዎ። ኣብኡ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ይኸውን። 14ጽዉዓትሲ ብዙሓት እዮም፡ ሕሩያት ግና ሒደት እዮም። 15ድሕርዚ ፈሪሳውያን ከይዶም ከመይ ገይሮም ብዘረባ ኸም ዝጠልፍዎ፡ ተማኸሩ። 16ደቀ መዛሙርቶም ምስ ሄሮድሳውያን ገይሮም ከምዚ ኢሎም ለኣኹ፡ መምህር፡ ሓቀኛ ምዃንካ፡ መገዲ እግዚኣብሄርውን ብሓቂ ከም እትምህር፡ ንፈልጥ ኣሎና፡ ገጽ ሰብ ርኢኻ ኣይተዳሉን ኢኻ እሞ፡ ነዝን ነትን እኳ ኣይትብልን ኢኻ። 17እንታይ ይመስለካ፡ ንቄሳር ግብሪ ምሃብሲ ተፈቒዱ ድዩ ወይስ ኣይፋሉን፧ እስኪ ንገረና። 18የሱስ ክፍኣቶም ፈሊጡ፡ ኣቱም ግቡዛት፡ ስለ ምንታይ ትፍትኑኒ ኣሎኹም፧ እቲ ወርቂ ግብሪ ኣርእዩኒ፡ በሎም። 19ንሳቶም ከኣ ዲናር ኣምጽኡሉ። 20ንሱ ድማ፡ እዚ መልክዑን ጽሕፈቱን ናይ መን እዩ፧ በሎም። 21ንሳቶም፡ ናይ ቄሳር፡ በልዎ። ሽዑ ንሱ፡ እምበኣርሲ ናይ ቄሳር ንቄሳር፡ ናይ ኣምላኽውን ንኣምላኽ ሃቡ፡ በሎም። 22እዚ ምስ ሰምዑ፡ ተገረሙ፡ ሓዲጎምዎ ድማ ሓለፉ። 23በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ትንሳኤ የልቦን፡ ዝብሉ ሰዱቃውያን ናብኡ መጹ። 24ከምዚ ኢሎም ድማ ሓተትዎ፡ መምህር፡ ሙሴ፡ ሰብኣይ ውሉድ ከይሓደገ እንተ ሞተ፡ ነታ ሰበይቱ እቲ ሓዉ ይውረሳ፡ ነቲ ሓዉ ኸኣ ዘርኢ የቑመሉ፡ በለ። 25ኣባናኸስ ሾብዓተ ኣሕዋት ነበሩ። እቲ ዓብዪ ሰበይቲ ምስ ኣእተወ፡ ሞተ፡ ውሉድ ኣይነበሮን እሞ፡ ነታ ሰበይቱ ንሓዉ ሓደጋ። 26ከምኡ ኸኣ ኻልኣይ፡ እቲ ሳልሳይውን፡ ክሳዕ እቲ ሳብዓይ። 27ድሕሪ ዅሎም ድማ እታ ሰበይቲ ሞተት። 28ኵሎም ኣእትዮምዋ ነይሮም እዮም እሞ፡ ብትንሳኤ ኻብዞም ሾብዓተ እዚኣቶም፡ ሰበይቲ መኖም ክትከውን እያ፧ 29የሱስ መለሰ በሎምውን፡ መጻሕፍቲ ወይስ ሓይሊ ኣምላኽ ሰኣን ምፍላጥኩም ትጋገዩ ኣሎኹም። 30ኣብ ትንሳኤስ ከም መላእኽቲ ኣምላኽ ኣብ ሰማይ እዮም እምበር፡ ኣየእትዉን ኣየተኣታትዉን። 31-32ብዛዕባ ትንሳኤ ምዉታት ግና፡ እቲ ካብ ኣምላኽ፡ ኣነ ኣምላኽ ኣብርሃም ኣምላኽ ይስሃቅን ኣምላኽ ያእቆብን እየ፡ እተባህለልኩምዶ ኣየንበብኩምን፧ እግዚእብሄር ኣምላኽ ህያዋን እዩ እምበር፡ ኣምላኽ ምዉታት ኣይኰነን። 33እቶም ህዝቢ ኸኣ እዚ ሰሚዖም ብትምህርቱ ተደነቑ። 34ፈሪሳውያን ድማ ኣፍ ሰዱቃውያን ከም ዝዓጸወ ሰሚዖም፡ ብሓደ ተኣከቡ። 35-36ካባታቶም ሓደ ምሁር ሕጊ ክዕዘቦ ደልዩ፡ መምህር፡ እታ ዓባይ ትእዛዝ ኣብ ሕጊ ኣየነይቲ እያ፧ ኢሉ ሓተቶ። 37የሱስ ከኣ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብዅሉ ንፍስኻን ብዅሉ ሓሳባትካን ኣፍቅሮ፡ 38እዚኣ እታ ዓባይን ቀዳመይትን ትእዛዝ እያ። 39እታ እትመስላ ኻልኣይታ ድማ፡ ንብጻይካ ኸም ንፍስኻ ኣፍቅሮ፡ እያ። 40ኣብዘን ክልተ ትእዛዛት እዚኣተን ብዘሎ ሕግን ነብያትን ተሰቒሉ ኣሎ፡ በሎ። 41ፈሪሳውያን ተኣኪቦም ከለዉ፡ የሱስ፡ 42ብዛዕባ ክርስቶስ እንታይ ይመስለኩም፧ ወዲ መንከ እዩ፧ ኢሉ ሓተቶም። ንሳቶም ወዲ ዳዊት፡ በልዎ። 43-44ንሱ ኸኣ፡ ዳዊት ደኣ፡ ጐይታ ንጐይታይ፡ ንጸላእትኻ ኣብ ትሕቲ እግርኻ ኽሳዕ ዘድርሶም፡ ኣብ የማነይ ተቐመጥ፡ በሎ፡ እናበለ፡ ብመንፈስ ከመይ ኢሉ ጐይታይ ይብሎ፧ 45እምበኣርሲ ዳዊት ጐይታይ ካብ ዝብሎ፡ ከመይ ኢሉ ደኣ ወዱ ይኸውን፧ በሎም። 46ሓደ እኳ ቓል ክመልሰሉ ኣይከኣለን። ካብታ መዓልቲ እቲኣ ከኣ ሓደ እኳ ኽሓቶ ደፊሩ ብሕም ዝበለ የልቦን።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ወን.ማቴዎስ ምዕራፍ 23
1ድሕርዚ ኸኣ የሱስ ነቶም ህዝብን ንደቀ መዛሙርቱን ተዛረቦም ከምዚ ኢሉ፡ 2ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ኣብ መንበር ሙሴ ተቐሚጦም ኣለዉ። 3ስለዚ ዝብሉኹም ኵሉ ግበሩን ሓልዉን፡ ግናኸ፡ ይብሉ ደኣ እምበር፡ ኣይገብሩን እዮም እሞ፡ ከምቲ ግብሮም ኣይትግበሩ። 4ከቢድን ምጽዋሩ ዘይምሽውን ጾር ጠሚሮም፡ ንሰብ ኣብ ክሳዱ የሰክምዎ፡ ባዕላቶም ግና በጻብዖም ክትንክይዎ እኳ ኣይፈትዉን። 5ኵሉ ግብሮም፡ ሰብ ምእንቲ ኽርእዮም ይገብሩ። ክታባውቶም የግፍሑ፡ ዘፈር ክዳውንቶምውን የንውሑ። 6ኣብ ምሳሕ ስፍራ ኽብሪ፡ ኣብ ቤት ጸሎቶም ድማ ኣብ ኣውራ ምቕማጥ ይቕመጡ። 7ኣብ ዕዳጋ ኽሳለምዎም፡ ብሰብውን መምህራን ክብሃሉ ይፈትዉ። 8ንስኻትኩም ግና፡ መምህርኩም ሓደ እዩ እሞ፡ መምህራን ኣይትብሃሉ፡ ንስኻትኩምሲ ዅልኹም ኣሕዋት ኢኹም። 9ኣቦኹም፡ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ፡ ሓደ እዩ እሞ፡ ኣብ ምድሪ ንሓደ እኳ ኣቦይ ኣይትበሉ። 10መራሒኹም ሓደ እዩ፡ ንሱ ኸኣ ክርስቶስ እዩ እሞ፡ ንስኻትኩምሲ መራሕቲ ኣይትብሃሉ። 11እቲ ኻባኻትኩም ዝበልጽሲ ግዙእኩም ይኹን። 12ርእሱ ዘልዓለ ኽሓስር፡ ርእሱ ዘትሓተ ኸኣ ልዕል ክብል እዩ። 13ኣቱም ግቡዛት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን፡ መንግስተ ሰማያት ንሰብ ትዓጽዉሉ፡ ንርእስኹም ኣይትኣትውዋን፡ ነቶም ክኣትውዋ ዝደልዩ ድማ ክኣትዉ ኣይትሓድግዎምን ኢኹም እሞ፡ ወይለኹም። 14ኣቱም ግቡዛት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን፡ ቤት መበለታት ትበልዑ፡ ንምኽንያትውን ጸሎት ተንውሑ ኣሎኹም። ስለዚ ዝገደድ ፍርዲ ኽትቅበሉ ኢኹም እሞ፡ ወይለኹም። 15ኣቱም ግቡዛት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን፡ ሓደ ጵሮሴሊት ክትገብሩ ባሕርን ምድርን ትዞሩ፡ ምስ ኰነ ኸኣ ካዕበትኩም ወዲ ገሃነም ትገብርዎ ኢኹም እሞ፡ ወይለኹም። 16ኣቱም ብቤት መቕደስ ዝምሕል ደሓን እዩ፡ ብወርቂ ቤተ መቕደስ ንዝምሕል ግና ማሕላ ይዀኖ፡ እትብሉ ዕዉራት መራሕቲ፡ ወይለኹም። 17ኣቱም ደናቝርትን ዕዉራትን፡ ኣየናይ ይዓቢ፡ ወርቅዶ ወይስ እታ ንወርቂ እትቕድሶ ቤተ መቕደስ፧ 18ብመሰውኢ ዝምሕል ደሓን እዩ፡ በቲ ኣብ ርእሲኡ ዘሎ ቝርባን ዝምሕል ግና ማሕላ ይዀኖ፡ ትብሉ። 19ኣቱም ደናቝርትን ዕዉራትን፡ ኣየናይ ይዓቢ፡ ቍርባንዶ ወይስ እቲ ንቝርባን ዝቕድሶ መሰውኢ፧ 20እምብኣርስከ እቲ ብመሰውኢ ዝምሕል፡ ብእኡን ኣብ ልዕሊኡ ብዘሎ ዅሉን ይምሕል ኣሎ። 21እቲ ኣቤተ መቕደስ ዝምሕል ከኣ፡ ብእኡን በቲ ኣብኡ ዝነብርን ይምሕል ኣሎ። 22እቲ ብሰማይ ዝምሕል፡ ዝፋን ኣምላኽን በቲ ኣብኡ ዝቕመጥን እዩ ዝምሕል። 23ኣቱም ግቡዛት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን፡ ካብ ጨና ኣዳም፡ ካብ ሽላን፡ ካብ ካሙን ዕሽር ተውጽኡ፡ እቲ ኣብ ሕጊ ዘሎ ኣውራ ነገር፡ ፍርዲ፡ ምሕረት፡ እምነት ግና ትሓድጉ ኣሎኹም እሞ፡ ወይለኹም። እዚ ምግባር እቲውን ዘይምሕዳግ ይግባእ። 24ኣቱም ቃርማ እተጽርዩ፡ ገመል ከኣ እትውሕጡ ዕዉራት መራሕቲ። 25ኣቱም ግቡዛት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን፡ ዝባን ዋንጫ መሬትን ጻሕልን ትሓጽቡ፡ ውሽጡ ግና ከትርን ስስዐን ምሉእ እዩ እሞ፡ ወይለኹም። 26ኣታ ዕዉር ፈሪሳዊ፡ ነቲ ዋንጫ መሬትን ጻሕልን ዝባኑ ድማ ጽሩይ ምእንቲ ክኸውንሲ፡ ቅድም ነቲ ውሽጡ ኣጽርዮ። 27ኣቱም ግቡዛት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን፡ ወጻኢኡ ጽቡቕ ኰይኑ ዝርአ፡ ውሽጡ ግና ኣዕጽምቲ ምዉታትን ርኽሰትን ዝመልአ ልቕሉቕ መቓብር ትመስሉ ኣሎኹም እሞ፡ ወይለኹም። 28ከምኡ ድማ ንስኻትኩም ብላዕሊ ንሰብ ጻድቃን መሲልኩም ትረኣይዎ፡ እቲ ውሽጥኹም ግና ግብዝናን ዓመጻን ምሉእ እዩ። 29ኣቱም ግቡዛት ጸሓትን ፈሪሳውያንን፡ መቓብር ነብያት ትሰርሑ፡ መቓብር ጻድቃንውን ትስልሙ ኣሎኹም እሞ፡ ወይለኹም። 30ብዘመን ኣቦታትና ኔርና እንተ ንኸውንሲ፡ ኣብቲ ደም ነብያት ኣይምተጸንበርናን፡ ትብሉ ኣሎኹም። 31እምበኣርስኸ ደቂ ቐተልቲ ነብያት ምዃንኩም ባዕላትኩም ትምስክሩ ኣሎኹም። 32ንስኻትኩምውን መስፈር ኣቦታትኩም መልኡ። 33ኣቱም ኣትማን፡ ውሉድ እቲ መንደላይ ተመን፡ ከመይ ጌርኩምከ ኻብ ፍርዲ ገሃነም ክትመልቁ፧ 34ስለዚ እንሆ፡ ነብያት ጠቢባንን ጸሓፍትን እልእከልኩም ኣሎኹ። ንገሊኦም ትቐትሉን ትሰቕሉን፡ ንገሊኦም ከኣ ኣብ ቤት ጸሎትኩም ትገርፉ፡ ካብ ዓዲ ናብ ዓዲውን ትሰጕዎም ኣሎኹም። 35እቲ ኻብ ደም ኣቤል ጻድቕ ጀሚሩ፡ ኽሳዕ ደም እቲ ኣብ መንጎ ቤተ መቕደስን መሰውእን ዝቐተልኩምዎ ዘካርያስ ወዲ በራክያስ፡ ኣብ ምድሪ ዝፈሰሰ ዅሉ ጻድቕ ደም ኣባኻትኩም ክበጽሕ እዩ። 36እዚ ዅሉ ነዚ ወለዶ እዚ ኸም ዝበጽሖ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 37የሩሳሌም፡ የሩሳሌም፡ ኣቲ ንነብያት እትቐትሊ፡ ነቶም ናባኺ እተላእኩ ብእምኒ እትጭፍልቒ፡ ከምቲ ደርሆ ንጨጨውታ ኣብ ትሕቲ ኣኽናፋ እትእክቦም፡ ክንደይ ሳዕከ ንደቅኺ ኽእክቦም ዘይደለኹ እሞ ኣበኹም። 38-39ደጊም፡ ብስም እግዚኣብሄር ዝመጽእ ብሩኽ እዩ፡ ክሳዕ እትብሉ፡ ካብ ሕጂ ኣይክትርእዩንን ኢኹም እሞ፡ እንሆ፡ ቤትኩም ዓንያ ኽትተርፍ እያ፡ እብለኩም ኣሎኹ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ወን.ማቴዎስ ምዕራፍ 24
1የሱስ ካብ ቤተ መቕደስ ወጺኡ ኸደ፡ ደቀ መዛሙርቱ ድማ ህንጻ ቤተ መቕደስ ከርእይዎ ናብኡ ቐረቡ። 2ንሱ ግና መሊሱ፡ እዚ ዅሉስ ትርእይዎዶ ኣሎኹም፧ ኣብዚ ዘይፈርስ እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ ኣይኪተርፍን እዩ፡ እብለኩም ኣሎኹ፡ በሎም። 3ኣብ ደብረ ዘይቲ ተቐሚጡ ኸሎ፡ ደቀ መዛሙርቱ ብሕት ኢሎም፡ እዚ መኣዝ ክኸውን እዩ፧ ትእምርቲ ምምጻእካን መወዳእታ ዓለምንከ እንታይ እዩ፧ እስኪ ንገረና፡ እናበሉ ናብኡ ቐረቡ። 4የሱስ መሊሱ በሎም፡ ሓደ እኳ ኸየስሕተኩም ተጠንቀቑ። 5ኣነ ክርስቶስ እየ፡ እናበሉ ብዙሓት ብስመይ ክመጹ እዮም እሞ፡ ንብዙሓትውን ከስሕቱ እዮም። 6ውግእን ወረ ውግእን ክትሰምዑ ኢኹም። ርኣዩ፡ ኣይትሰምብዱ፡ እዚ ዅሉ ክኸውን ብግዲ እዩ፡ ግናኸ መወዳእታ ገና እዩ። 7ህዝቢ ናብ ህዝቢ፡ መንግስቲውን ናብ መንግስቲ ኽለዓል እዩ። ኣብ በቦታኡ ድማ ጥሜትን ፌራን ምንቅጥቃጥ ምድርን ክኸውን እዩ። 8እዚ ዅሉ ግና መጀመርታ ቕልውላው እዩ። 9ሽዑ ንመከራ ኣሕሊፎም ክህብኹምን ክቐትሉኹምን እዮም። ብዛዕባ ስመይ ከኣ ኣብ ኵሎም ኣህዛብ ጽሉኣት ክትኰኑ ኢኹም። 10ሽዑ ብዙሓት ክዕንቀፉ፡ ንሓድሕዶም ኣሕሊፎም ክዋሃሃቡ ንሓድሕዶምውን ክጻላልኡ እዮም። 11ብዙሓት ነብያት ሓሶት ክትንስኡ፡ ንብዙሓትውን ከስሕቱ እዮም። 12ዓመጻ ስለ ዝበዝሐ ድማ፡ ናይ ብዙሓት ፍቕሪ ኽትዝሕል እያ። 13እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዝዕገስ ግና ክድሕን እዩ። 14እዚ ወንጌል መንግስቲ ኸኣ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ክስበኽ እዩ፡ ሽዑ መወዳእታ ይመጽእ። 15እቲ ብነብዪ ዳንኤል እተባህለ ናይ ጥፍኣት ርኽሰት ኣብታ ቅድስቲ ስፍራ ቘይሙ እንተ ርአኹም፡ እቲ ዘንብብ የስተውዕል፡ 16ሽዑ ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ናብ ኣኽራን ይህደሙ። 17ኣብ ዝባን ናሕሲ ዘለዉ ኸኣ ካብ ቤቱ ገለ ኽማላእ ኣይውረድ። 18ኣብ ወፍሪ ዘሎ ድማ ክዳኑ ኽወስድ ንድሕሪት ኣይመለስ። 19በታ ቕነ እቲኣ ግና ንጥኑሳትን ንዘጥብዋን ወይለአን። 20-21ሽዑ መከራ ክኸውን እዩ፡ ከምኡ ዝበለ ኻብ መጀመርታ ዓለም ክሳዕ ሎሚ ዘይኰነ፡ ከቶ ድማ ዘይከውን እዩ እሞ፡ እቲ ምህዳምኩም ብኽረምቲ ወይ ብሰንበት ከይከውንሲ ለምኑ። 22እተን መዓልትታት እቲኤን እንተ ዘይሓጽራስ፡ ስጋ ዝለበሰ ዅሉ ኣይምደሓነን። ምእንቲ እቶም ሕሩያት ግና እተን መዓልትታት እቲኤን ክሓጽራ እየን። 23ሽዑ ገለ፡ እንሆ ክርስቶስ ኣብዚ ወይ ኣብቲ፡ እንተ በለኩም፡ ኣይትእመንዎ። 24ናይ ሓሶት መሲሃትን ናይ ሓሶት ነብያትን ክመጹ እዮም እሞ፡ እንተ ተኻእሎምሲ፡ ነቶም ሕሩያት እኳ ክስሕቱ፡ ዓበይቲ ትእምርትን ተኣምራትን ክገብሩ እዮም። 25እንሆ፡ ኣቐዲመ ነገርኩኹም። 26እንሆ፡ ኣብ በረኻ ኣሎ፡ እንተ በሉኹም፡ ኣይትውጽኡ፡፡ ኣብ ቤት ኣሎ እንተ በሉኹምውን፡ ኣይትእመኑ። 27በርቂ ኻብ ምብራቕ በሪቑ ኽሳዕ ምዕራብ ከም ዝርአ፡ ምጽኣት ወዲ ሰብ ከኣ ከምኡ ክኸውን እዩ። 28ኣብቲ ገምቢ ዘለዎ፡ ኣሞራታት ከኣ ናብኡ ኽእከቡ እዮም። 29ድሕሪ መከራ እታ ቕነ እቲኣ ግና ብኡብኡ ጸሓይ ክትጽልምት፡ ወርሒውን ብርሃና ኣይክትህብን እያ፡ ከዋኽብቲ ኻብ ሰማይ ክወድቁ፡ ሓይልታት ሰማያትውን ክንቀጥቅጡ እዮም። 30ሽዑ ትእምርቲ ወዲ ሰብ ኣብ ሰማይ ክርአ፡ ሽዑ ድማ ኵሎም ዓሌታት ኣህዛብ ምድሪ ኽበኽዩ። ንወዲ ሰብ ከኣ ብብዙሕ ሓይልን ግርማን ብደበና ሰማይ ክመጽእ ከሎ ኽርእይዎ እዮም። 31ንመላእኽቱ ኸኣ ብብርቱዕ ደሃይ መለኸት ክልእኮም፡ ነቶም ሕሩያቱ ኻብቲ ሓደ ወሰን ሰማይ ክሳዕ እቲ ወሰን ሰማይ ካብ ኣርባዕቲኡ መኣዝን ንፋሳት ክእክብዎም እዮም። 32ምስላኡ ኻብ ኦም በለስ ተምሃሩ። ጨነፍራ ምስ ለምለመ፡ ቈጽላውን ምስ ጠጥዐ፡ ክረምቲ ኸም ዝቐረበ ትፈልጡ ኢኹም። 33ከምኡ ድማ ንስኻትኩም እዚ ዅሉ ምስ ርኣኹም፡ ናብ ኣፍ ቤት ምቕራቡ ፍለጡ። 34እዚ ዅሉ ኽሳዕ ዝኸውን፡ እዚ ወለዶ እዚ ኸም ዘይሓልፍ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 35ሰማይን ምድርን ክሓልፍ፡ ቃለይ ግና ኣይክሓልፍን እዩ። 36ስለ እታ መዓልቲ እቲኣን ስለ እታ ሰዓት እቲኣን ግና ብዘይ ኣቦ በይኑ፡ መላእኽቲ ሰማይ እንተ ዀኑ እኳ ወይስ ወዲ፡ ዝፈልጣ የልቦን። 37ከምቲ ብዘመን ኖህ ዝዀነ፡ ምጽኣት ወዲ ሰብ ከኣ ከምኡ ክኸውን እዩ። 38ከምቲ ብቕድሚ ማይ ኣይሂ ዝነበረ፡ ክሳዕ እታ ኖህ ናብ መርከብ ዝኣተወላ መዓልቲ፡ ይበልዑን ይሰትዩን የእትዉን የተኣታትዉን ነበሩ እሞ፡ 39ማይ ኣይሂ መጺኡ፡ ንዅሉ ኽሳዕ ዘጥፍእ ኣይፈለጡን። ምጽኣት ወዲ ሰብ ድማ ከምኡ ክኸውን እዩ። 40ሽዑ ኽልተ ኣብ ግራት ክዀኑ እዮም፡ እቲ ሓደ ኽውሰድ፡ እቲ ሓደ ኸኣ ክሕደግ እዩ። 41ክልተ ኣንስቲ ኣብ መጥሓን ክጥሕና እየን፡ ሓንቲ ኽትውሰድ፡ ሓንቲ ድማ ክትሕደግ እያ። 42ስለዚ ጐይታኹም በየነይቲ ሰዓት ከም ዝመጽእ ኣይትፈልጡን ኢኹም እሞ፡ ንቕሑ። 43ግናኸ ፍለጡ፡ በዓል ቤት ነታ ሰራቒ ዝመጸላ ግዜ እንተ ዝፈልጣስ፡ ምነቕሐ፡ ቤቱ ኽትኰዓት ከላውን ስቕ ኣይምበለን። 44ስለዚ ወዲ ሰብ ብዘይሓሰብኩምዎ ግዜ ኽመጽእ እዩ እሞ፡ ንስኻትኩም ድማ እተዳሎኹም ኩኑ። 45እቲ ጐይታኡ ምግቦም በብግዜኡ ኽህቦም ኢሉ ኣብ ስድራ ቤቱ ዝሸሞ እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ መን ኰን እዩ፧ 46ጐይታኡ ኽመጽእ ከሎ፡ ከምዚ እናገበረ ዝረኽቦ ባርያ ብጹእ እዩ። 47ኣብ ኵሉ ገንዘቡ ኸም ዝሸሞ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 48እቲ ኽፉእ ባርያ ግና ብልቡ፡ ጐይታይ ይድንጕ እዩ፡ እንተ በለ፡ 49ነቶም ብጾቱ ባሮት ምውቃዖም ይጅምር፡ ምስቶም ሰኸርቲውን ይበልዕን ይሰትን። 50ጐይታ እቲ ባርያ እቲ፡ ንሱ ብዘይተጸበያ መዓልቲ ብዘይፈላጣ ግዜውን ክመጽእ እዩ። 51ኣብ ክልተ ኽጭንድሖ፡ ዕድሉ ድማ ምስ ግቡዛት ክገብሮ፡ ኣብኡ ኸኣ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ክኸውን እዩ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ወን.ማቴዎስ ምዕራፍ 25
1ሽዑ መንግስተ ሰማያት፡ ቀቀንዴለን ሒዘን መርዓዊ ክቕበላ ዝወጻ ዓሰርተ ደናግል ትመስል። 2ካባታተን ከኣ እተን ሓሙሽተ ዓያሱ፡ እተን ሓሙሽተ ግና ለባማት እየን። 3እተን ዓያሱ፡ ቀቀንዴለን ወሲደን፡ ዘይቲ ኣይተማልኣን። 4እተን ለባማት ግና መምስ ቀንዴለን ዘይቲ ኣብ ጢናአን ተማልኣ። 5መርዓዊ ምስ ደንጐየ ግና፡ ኵለን ትኽስ በላ ደቀሳውን። 6ፍርቒ ለይቲ ግና ጭራሕ ምራሕ ኰነ፡ እንሆ፡ መርዓዊ ኽትቅበላ ውጻ። 7ሽዑ እተን ደናግል ኵለን ተንሲአን፡ ቀቀንዴለን ኣዳለዋ። 8እተን ዓያሱ ነተን ለባማት፡ ቀንዲልና ኽጠፍእ ኢሉ እሞ፡ ካብ ዘይትኽን ሃባና፡ በላአን። 9እተን ለባማት ከኣ፡ ኣይፋልናን፡ ንኣናን ንኣኻትክንን እንተ ዘይኣኸለኸ። ናብቶም ዝሸጡ ደኣ ኺዳ እሞ ንርእስኽን ዓድጋ፡ ኢለን መለሳለን። 10ክዕድጋ ምስ ከዳ፡ እቲ መርዓዊ መጸ። እተን ተዳልየን ዝጸንሓ ምስኡ ናብ መርዓ ኣተዋ፡ ማዕጾ ድማ ተዓጸወ። 11ደሓር እተን ዝተረፋ ደናግል መጺአን፡ ጐይታይ፡ ጐይታይ፡ ክፈተልና ዀታ፡ በላ። 12ንሱ ግና መሊሱ፡ ብሓቂ እብለክን ኣሎኹ፡ ኣይፈልጠክንን እየ፡ በለን። 13እምብኣርሲ እታ ወዲ ሰብ ዝመጸላ መዓልትን ሰዓትን ኣይትፈልጡን ኢኹም እሞ፡ ንቕሑ። 14መገሻ ኸም ዝደለየ ሰብ እሞ፡ ንገላዉኡ ጸዊዑ ገንዘቡ ዝሃቦም እዩ። 15ንነፍሲ ወከፎም ከከም ዓቕሞም፡ ንሓደ ሓሙሽተ መክሊት፡ ንሓደ ኻልኣይ ክልተ፡ ነቲ ሳልሳይ ድማ ሓደ ሂቡዎም ገሸ። 16እቲ ሓሙሽተ መክሊት ዝወሰደ፡ ብኣብኣ ኸይዱ ብእኡ ነገደ፡ ሓሙሽተ ኻልእ መክሊት ድማ ወሰኸ። 17እቲ ብዓል ክልተ ኸኣ ከምኡ ኽልተ ኻልእ ረብሐ። 18እቲ ሓደ ዝወሰደ ግና ከይዱ ምድሪ ዅዒቱ ወርቂ ጐይታኡ ሓብአ። 19ድሕሪ ብዙሕ ዘመን ከኣ ጐይታ እቶም ባሮት መጸ፡ ምሳታቶምውን ተጸባጸበ። 20እቲ ሓሙሽተ መክሊት ዝወሰደ ካልእ ሓሙሽተ መክሊት ኣምጽአ፡ ጐይታይ፡ ሓሙሽተ መክሊት ሂብካኒ፡ እንሆ፡ ካልእ ሓሙሽተ መክሊት ረባሕኩ፡ እናበለ ቐረበ። 21እቲ ጐይታኡ፡ ሕራይ፡ ኣታ ሕያዋይ እሙን ባርያ፡ ብሒደት ተእሚንካ ኢኻ እሞ፡ ኣብ ብዙሕ ክሸመካ እየ፡ ናብ ሓጐስ ጐይታኻ እቶ፡ በሎ። 22እቲ ኽልተ መክሊት ዝወሰደ ድማ ቀሪቡ፡ ጐይታኡ፡ ክልተ መክሊት ሃብካኒ፡ እንሆ፡ ክልተ ኻልእ መክሊት ረባሕኩ፡ በለ። 23ጐይታኡ ኸኣ፡ ሕራይ፡ ኣታ ሕያዋይ፡ እሙን ባርያ፡ ብሒደት ተኣሚንካ ኢኻ እሞ፡ ኣብ ብዙሕ ክሸመካ እየ፡ ናብ ሓጐስ ጐይታኻ እቶ። 24እቲ ሓደ መክሊት ዝወሰደ ድማ ቀሪቡ፡ ጐይታይ፡ ዘይዘራእካዮ እትዓጽድ፡ ዘይበተንካዮውን እትእክብ ጽኑዕ ሰብኣይ ምዃንካ ፈሊጠ እሞ፡ 25ፈሪሀ ኸድኩ፡ ነቲ መክሊትካ ኣብ ምድሪ ሓባእክዎ፡ እንሆ ገንዘብካ፡ በሎ። 26እቲ ጐይታኡ ግና መሊሱ በሎ፡ ኣታ ኽፉእ ሃካይ ባርያ፡ ዘይዘራእክዎ ኸም ዝዓጽድ፡ ዘይበተንክዎ ኸኣ ከም ዝእክብ ፈሊጥካ ኣሎኻ። 27እምብኣርሲ እቲ ገንዘበይ ንሰረፍቲ ክትህቦም ምተገብኣካ ነይሩ፡ ኣነ ኸኣ መጺአ ምስ ወለዱ ምወሰድክዎ። 28ደጊም እቲ መክሊት ኣግድፍዎ እሞ፡ ነቲ ዓሰርተ መክሊት ዘለዎ ሃብዎ። 29ንዘለዎ ዘበለ ዅሉ ይውሃቦ ይውሰኾውን። ነቲ ዘይብሉ ግና እታ ዘላቶ እኳ የግድፍዎ ደኣ። 30ነዚ ዘይጠቅም ባርያ ግና ኣብ ናይ ወጻኢ ጸልማት ደርብይዎ። ኣብኡ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ክኸውን እዩ። 31ግናኸ ወዲ ሰብ ብኽብሩ ምስ መጸ፡ ኵሎም መላእኽቲውን ምስኡ፡ ሽዑ ኣብ ዝፋን ክብሩ ይቕመጥ። 32ኵሎም ኣህዛብ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ይእከቡ። ንሱ ኸኣ፡ ጓሳ ነባጊዕ ካብ ኣጣል ከም ዝፈላልየን፡ ካብ ነንሓድሕዶም ይፈላልዮም። 33ነተን ኣባጊዕ ኣብ የማን፡ ነተን ኣጣል ድማ ኣብ ጸጋሙ የቑመን። 34ሽዑ እቲ ንጉስ ኣብ የማኑ ንዘለዉ ይብሎም፡ ኣቱም ናይ ኣቦይ ብሩኻት፡ ንዑ፡ እቲ ኻብ ምስራት ዓለም እተዳለወልኩም መንግስቲ ውረሱ። 35ጠምየ ነበርኩ እሞ፡ ኣብላዕኩምኒ። ጸሚአ፡ ኣስተኹምኒ። ገይሸ፡ ተቐበልኩምኒ። 36ዓሪቀ፡ ከደንኩምኒ። ሓሚመ፡ በጻሕኩምኒ። ተኣሲረ፡ መጻእኩምኒ። 37ሽዑ እቶም ጻድቃን ይመልስሉ፡ ጐይታይ፡ መኣዝ ጠሚኻ ርኣናካ እሞ ኣብላዕናካ፧ ወይ ጸሚእካስ ኣስተናካ፧ 38መኣዝከ ጋሻ ኴንካ ርኣናካ እሞ ተቐበልናካ፧ ወይ ዓሪቕካስ ከደናካ፧ 39መኣዝከ ሓሚምካ ርአናካ ወይ ተኣሲርካስ በጻሕናካ፧ ይብሉ። 40እቲ ንጉስ ከኣ፡ እቲ ኻብዞም ናእሽቱ ኣሕዋተይ ንሓደ ዝገበርኩምሉ ንኣይ ከም ዝገበርኩምለይ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ ኢሉ ይመልሰሎም። 41ድሕርዚ ኣብ ጸጋሙንዘለዉ ይብሎም፡ ኣቱም ርጉማት፡ ካባይ ርሓቑ፡ ናብቲ ንሰይጣንን ንመላእኽቱን እተዳለወ ናይ ዘለኣለም ሓዊ። 42ጠምየ ነብርኩ እሞ፡ ኣየብላዕኩምንን። ጸሚአ፡ ኣየስቴኹምንን። 43ገይሸ፡ ኣይተቐበልኩምንን። ዓሪቐ፡ ኣይከደንኩምንን። ሓሚመ፡ ተኣሲረ፡ ኣይበጻሕኩምንን። 44ሽዑ ንሳቶም፡ ጐይታይ፡ መኣዝ ጠሚኻ ርኣናካ፡ ወይ ጸሚእካ፡ ወይ ጌሽካ፡ ወይ ዓሪቕካ፡ ወይ ሓሚምካ፡ ወይ ተኣሲርካ፡ ዘየገልገልናካ፧ ኢሎም ይመልስሉ። 45ሽዑ ንሱ፡ እቲ ኻብዞም ናእሽቱ ንሓደ ዘይገበርኩምሉ ንኣይ ከም ዘይገበርኩምለይ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ ኢሉ ይመልሰሎም። 46እዚኣቶም ናብ ናይ ዘለኣለም ስቓይ፡ ጻድቃን ግና ናብ ዘለኣለም ህይወት ክኸዱ እዮም።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ወን.ማቴዎስ ምዕራፍ 26
1ኰነ ድማ፡ የሱስ እዚ ነገርዚ ዅሉ ምስ ወድአ፡ ንደቀ መዛሙርቱ በሎም፡ 2ድሕሪ ኽልተ መዓልቲ ፋስጋ ምዃኑ ትፈልጡ ኣሎኹም፡ ንወዲ ሰብ ድማ ክስቀል፡ ነህዛብ ኣሕሊፎም ክህብዎ እዮም። 3ሽዑ ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን ዓበይቲ ህዝብን ኣብ ኣዳራሽ ቀያፋ ዝብሃል ሊቀ ኻህናት ተኣከቡ። 4ንየሱስ ብተንኰል ክሕዝዎን ክቐትልዎን ድማ ተማኸሩ። 5ግናኸ፡ ኣብ ህዝቢ ጋሮ ምእንቲ ኸይትንስእሲ፡ ብበዓል ኣይኹን፡ በሉ። 6የሱስ ኣብ ቢታንያ ኣብ ቤት ስምኦን፡ እቲ ለምጻም፡ ከሎ፡ 7ሓንቲ ሰበይቲ፡ ክቡር ቅዱይ ቅብኢ ዝመልአ ብልቃጥ ሒዛ፡ ናብኡ መጸት። ኣብ መኣዲ ተቐሚጡ ኸሎ ድማ፡ ኣብ ርእሱ ኣፍሰሰቶ። 8ደቀ መዛሙርቱ እዚ ርእዮም፡ እዚ ኽንድዚ ዝኣክል ጥፍኣትከ ንምንታይ እዩ፧ 9ንብዙሕ ተሽይጡስ፡ ንድኻታት ግዳ ምተዋህበ ነይሩ፡ ኢሎም ተናደዱ። 10የሱስ ግና ፈሊጡ በሎም፡ እዛ ሰበይቲ ጽቡቕ ግብሪ ገይራትለይ ኣላ እሞ፡ ስለምንታይ ተጕህይዋ ኣሎኹም፧ 11ድኻታትሲ ዅሉ ግዜ ምሳኻትኩም እዮም፡ ኣነ ግና ኵሉ ግዜ ምሳኻትኩም ኣይነብርን። 12እዚ ኣብ ርእሰይ ዘፍሰሰቶ ቕዱይ ቅብኢ ግና ንምቕባረይ ከተዳልወኒ እያ ዝገበረቶ። 13እዚ ወንጌል እዚ ኣብ እተሰብኮ ዘበለ ኣብ ኵላ ዓለም እዚ ንሳ ዝገበረቶ ንመዘከሪኣ ኸም ዝንገር፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 14ሽዑ ኻብቶም ዓሰርተው ክልተስ ሓደ፡ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ዝብሃል፡ ናብ ሊቃውንቲ ኻህናት ከይዱ፡ 15ኣነ ንኣኻትኩም ኣሕሊፈ ክህቦስ፡ እንታይ ትህቡኒ፧ በሎም። ንሳቶም ከኣ ሰላሳ ቕርሺ መዘኑሉ። 16ካብኡ ሒዙ ኣሕሊፉ ኽህቦ ምሹእ ግዜ ይደሊ ነበረ። 17በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ በዓል ቕጫ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ናብ የሱስ መጺኦም፡ ገንሸል ፋስጋ ኽትበልዕስ ኣበይ ከነዳልወልካ ትደሊ፧ በልዎ። 18ንሱ ድማ በለ፡ ናብ ከተማ ናብ እከለ ኪዱ እሞ፡ ግዜይ ቀረበት፡ ምስ ደቀ መዛሙርተይ ከኣ ፋስጋ ኣባኻ ኽፍስግ፡ ይብል ኣሎ መምህር፡ በልዎ። 19እቶም ደቀ መዛሙርቲ ድማ የሱስ ከም ዝኣዘዞም ገበሩ፡ ገንሸል ፋስጋውን ኣዳለዉ። 20ምስ መሰየ፡ ምስቶም ዓሰርተው ክልተ ደቀ መዛሙርቲ ኣብ መኣዲ ተቐመጡ። 21ክበልዑ ኸለዉ ኸኣ፡ ካባኻትኩም ሓደ ኸም ዘትሕዘኒ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ በሎም። 22ንሳቶም ከኣ ብዙሕ ጐሃዩ፡ በብሓደውን፡ ጐይታይ፡ ኣነዶ ዀን እኸውን፧ ክብልዎ ጀመሩ። 23መሊሱ በሎም፡ እቲ ኢዱ ምሳይ ኣብ ጻሕሊ ዝጠልቕ፡ ንሱ እዩ ዘትሕዘኒ። 24ወዲ ሰብሲ፡ ከምቲ እተጻሕፈሉ፡ ይኸይድ። ግናኸ ነቲ ወዲ ሰብ ብእኡ ዝተሐዝ ሰብኣይ ወይለኡ። እቲ ሰብኣይ እትስ እንተ ዘይውለድ ምሓሾ ነይሩ። 25እቲ ዘትሓዞ ይሁዳ ድማ መምህር፡ ኣነዶ ዀን እየ፧ ኢሉ መለሰ። ንሱ ኸኣ፡ ንስኻ በልካ፡ በሎ። 26ክበልዑ ኸለዉ፡ የሱስ እንጌራ ኣልዓለ፡ ባሪኹ ቘሪሱ፡ ነቶም ደቀ መዛሙርቱ ሂብዎም፡ እዚ ስጋይ እዩ፡ ውሰዱ፡ ብልዑ፡ በሎም። 27-28ጽዋእ ኣልዒሉ ኣመስጊኑ ድማ ከምዚ እናበለ ሃቦም፡ እዚ ምእንቲ ብዙሓት ንሕድገት ሓጢኣት ዝፈስስ ዘሎ ናይ ሓድሽ ኪዳን ደመይ እዩ እሞ፡ ካብዚ ዅልኹም ስተዩ። 29ድሕሪ ሕጂ ኽሳዕ እታ መዓልቲ እቲኣ ኣብታ መንግስቲ ኣቦይ ምሳኻትኩም ሓድሽ ክሳዕ ዝሰትዮ፡ ካብዚ ፍረ ወይኒ እዚ ከቶ ኸም ዘይሰቲ፡ እብለኩም ኣሎኹ። 30መዝሙር ምስጋና ምስ ዘመሩ፡ ናብ ደብረ ዘይቲ ደየቡ። 31ሽዑ የሱስ፡ ንጓሳ እወቕዖ፡ እተን ኣባጊዕ መጓሰ ድማ ፋሕ ይብላ፡ ተጽሒፉ ኣሎ እሞ፡ በዛ ለይቲ እዚኣ ዅላትኩም ብኣይ ክትዕንቀፉ ኢኹም። 32ምስ ተንሳእኩ ግና፡ ናብ ገሊላ ክቕድመኩም እየ፡ በሎም። 33ጴጥሮስ ከኣ፡ ኵሎም እኳ ብኣኻ እንተ ተዓንቀፉ፡ ኣነስ ከቶ ኣይዕንቀፍን እየ፡ ኢሉ መለሰሉ። 34የሱስ ከኣ፡ በዛ ለይቲ እዚኣ ደርሆ ኸይነቀወ፡ ሰለስተ ሳዕ ክትክሕደኒ ኢኻ፡ ኢለ ብሓቂ እብለካ ኣሎኹ፡ በሎ። 35ጴጥሮስ፡ ምሳኻ ንሙማት እንተ ዀነውን፡ ከቶ ኣይክሕደካን እየ፡ በሎ። እቶም ደቀ መዛሙርቲ ድማ ኵላቶም ከምኡ በሉ። 36ድሕርዚ የሱስ ምሳታቶም ጌተሴማኔ ናብ እትብሃል ቦታ ኸደ። ንደቀ መዛሙርቱ ድማ፡ ናብቲ ኸይደ ኽሳዕ ዝጽሊ፡ ኣብዚ ተቐመጡ፡ በሎም። 37ንጴጥሮስን ንኽልቲኦም ደቂ ዘብዴዎስን ተማልአ፡ ክጕህን ክትክዝን ጀመረ። 38ሽዑ፡ ነፍሰይ ክሳዕ ሞት ኣዝያ ጕህያ ኣላ፡ ኣብዚ ኹኑ ምሳይውን ንቕሑ፡ በሎም። 39ቅሩብ ርሕቕ ኢሉ ብገጹ ተደፊኡ ጸለየ በለውን፡ ኣቦይ፡ ዝከኣል እንተ ዀይኑስ፡ እዛ ጽዋእ እዚኣ ኻባይ ትሕለፍ። ግናኸ ንስኻ ኸም እትደልዮ እምበር፡ ኣነ ኸም ዝደልዮ ኣይኹን። 40ናብ ደቀ መዛሙርቱ መጸ፡ ደቂሶም ረኸቦም። ንጴጥሮስ ድማ በሎ፡ ክሳዕ ክንድዚዶ ሓንቲ ሰዓት ምሳይ ክትነቕሑ ኣይትኽእሉን ኢኹም፧ 41ናብ ፈተና ከይትኣትዉስ ንቕሑን ጸልዩን። መንፈስ ተዳልዩ ኣሎ፡ ስጋ ግና ድኹም እዩ። 42ከም ብሓድሽ ካልኣይ ሳዕ ከይዱ፡ ኣቦይ፡ እዚ ኸይሰቴኽዎ ኽሓልፍ ዘይከኣል እንተ ኰይኑስ፡ ፍቓድካ ይኹን፡ ኢሉ ጸለየ። 43ከም ብሓድሽ ድማ መጸ፡ ኣዒንቶም ባዕዚዙ ነበረ እሞ፡ ደቂሶም ረኸቦም። 44ሓዲግዎም ከደ፡ ሳልሳይ ከኣ ከም ብሓድሽ እቲ ኢልዎ ዝነበረ ጸሎት ጸለየ። 45ሽዑ ናብቶም ደቀ መዛሙርቱ መጺኡ፡ ደጊም ደቅሱን ዕረፉን። እንሆ፡ እታ ግዜ በጽሐት፡ ወዲ ሰብ ከኣ ኣብ ኢድ ሓጥኣን ክተሓዝ እዩ። 46ተንስኡ፡ ንኺድ። እቲ ዘትሕዘኒ፡ እንሆ፡ ቀሪቡ ኣሎ፡ በሎም። 47እዚ ኽዛረብ ከሎ፡ እንሆ ይሁዳ፡ ካብቶም ዓሰርተው ክልተስ ሓደ፡ መጸ። ምስኡ ድማ ካብ ሊቃውንቲ ኻህናትን ዓበይቲ ህዝብን ብዙሓት ሰብ፡ ኣስያፍን ኣባትርን ሒዞም መጹ። 48እቲ ዘትሕዞ ኸኣ፡ እቲ ኣነ ዝስዕሞ ንሱ እዩ፡ ሓዝዎ፡ ኢሉ ምልክት ሃቦም። 49ብኡብኡ ናብ የሱስ ቀሪቡ፡ ከመይ ኣምሰኻ፡ መምህር፧ ኢሉ ሰዓሞ። 50የሱስ ከኣ፡ ዓርከይ፡ ብምንታይ ነገር መጻእካ፧ በሎ። ሽዑ ቐሪቦም፡ ኣእዳዎም ዘርጊሖም ንየሱስ ሓዝዎ። 51እንሆ፡ ካብቶም ምስ የሱስ ዝነበሩ ሓደ ኢዱ ዘርጊሑ፡ ሰይፉ መልሐ፡ ንባርያ ሊቀ ኻህናት ወቒዑ ኸኣ እዝኑ ቘረጾ። 52ሽዑ የሱስ በሎ፡ ሰይፊ ዘልዕሉ ዅሎም ብሰይፊ ይጠፍኡ እዮም እሞ፡ ንሰይፍኻ ናብ ቤታ ምለሳ። 53ነቦይ ምልማኑ ዘይከኣለኒ፡ ንሱ ኸኣ ካብ ዓሰርተው ክልተ ለጌዎን ዝበዝሑ መላእኽቲ ሕጂ ኽሰደለይ ዘይኽእልዶ ይመስለካ ኣሎ፧ 54ከምዚ ክኸውን ከም ዝግብኦስ፡ እቶም ጽሑፋት ደኣኸ ኸመይ ኢሎም ይፍጸሙ፧ 55ሽዑ የሱስ ነቶም ህዝቢ በሎም፡ ከም ንኸታሪዶ ኣስያፍን ኣባትርን ሒዝኩም፡ ክትሕዙኒ ወጻእኩም፧ ዕለት ዕለት ኣብ ቤተ መቕደስ እናመሃርኩ ምሳኻትኩም ተቐሚጠ ነይረ፡ ኣይሓዝኩምንን። 56እዚ ዅሉ ግና እቶም መጻሕፍቲ ነብያት ምእንቲ ክፍጸሙ ዀነ። ሽዑ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ዅሎም ሓዲጎምዎ ሃደሙ። 57እቶም ንየሱስ ዝሓዝዎ ኸኣ ናብቲ ጸሓፍትን ዓበይትን ናብ እተኣከቡሉ ናብ ቀያፋ፡ እቲ ሊቀ ኻህናት ወሰድዎ። 58ጴጥሮስ ከኣ ርሕቕ ኢሉ ኽሳዕ ገዛ ሊቀ ኻህናት ሰዓቦ። መወዳእታኡ ምእንቲ ክርኢውን፡ ናብ ውሽጢ አትዩ ምስቶም ገላዉ ተቐመጠ። 59ሊቃውንቲ ኻህናትን ዓበይቲ ብዘሎ እቲ ዋዕላን ከኣ ንየሱስ ክቐትልዎ ምስክር ሓሶት ደለዩ፡ ኣይረኸቡን። 60ብዙሓት ሓስዮም ዝምስክሩ መጺኦም ክነሶምሲ፡ ሓንቲ እኳ ኣይረኸቡን። 61ኣብ መወዳእታኡ ግና ክልተ መጺኦም በሉ፡ እዚ ሰብኣይ እዚ፡ ነታ መቕደስ ኣምላኽ ኣፍሪሰ ብሰለስተ መዓልቲ ኽሃንጻ እኽእል እየ፡ በለ። 62እቲ ሊቀ ኻህናት ከኣ ተንሲኡ፡ እዚኣቶም ብዚምስክሩልካስ እኳዶ ኣይትመልስን ኢኻ፧ በሎ። የሱስ ግና ስቕ በለ። 63እቲ ሊቀ ኻህናት ከኣ፡ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ እንተ ዄንካስ ክትነግረና፡ በቲ ህያው ኣምላኽ አምሕለካ ኣሎኹ፡ በሎ። 64የሱስ ከኣ፡ ንስኻኳ በልካ። ድሕሪ ሕጂ ግና ወዲ ሰብ፡ ኣብ የማን ሓይሊ ተቐሚጡ፡ ብደበና ሰማይ ክመጽእ ከሎ ኽትርእዩ ኢኹም፡ እብለኩም ኣሎኹ፡ በሎ። 65-66ሽዑ እቲ ሊቀ ኻህናት ክዳውንቱ ቐዲዱ፡ ተጻረፈ፡ እንሆ ጸርፉ ሰማዕኩም፡ ደጊምከ እንታይ ምስክር የድልየና፧ እንታይከ ይመስለኩም፧ በለ። ንሳቶም ከኣ፡ ሞት ይግብኦ፡ ኢሎም መለሱ። 67ድሕርዚ ኣብ ገጹ ጡፍ በሉሉ። ገሊኦም ድማ ጸፍዕዎ፡ 68ዎ ክርስቶስ፡ መን እዩ ዝወቕዓካ፧ እስኪ ተነበየልና፡ እናበሉ ወቕዕዎ። 69ጴጥሮስ ብጎፍታ ወጻኢ ኣብ ውሽጢ ተቐሚጡ ኸሎ፡ ሓንቲ ገረድ፡ ንስኻውን ምስ የሱስ ገሊላዊ ኔርካ ኢኻ፡ እናበለት ናብኡ ቐረበት። 70ንሱ ኣብ ቅድሚ ዅሎም፡ እዚ እትብልዮ ዘሎኺ ኣይፈልጦን፡ ኢሉ ኸሓደ። 71ዓንቐጽ ምስ ወጸ ኸኣ፡ ሓንቲ ኻልእ ረኣየቶ፡ ኣብኡ ንዘለዉ ድማ፡ እዚ ምስ የሱስ ናዝራዊ ነይሩ እዩ፡ በለቶም። 72ንሱ ኸኣ፡ ነቲ ሰብኣይ እቲ ኣይፈልጦን፡ ኢሉ ኸም ብሓድሽ ከሓደ መሓለውን። 73ቅሩብ ምስ ጸንሐ፡ እቶም ደው ኢሎም ዘለዉ ንጴጥሮስ፡ ንስኻ ብሓቂ ኻባታቶም ኢኻ፡ ዘረባኻውን የፍልጠካ ኣሎ፡ በልዎ። 74ሽዑ ንሱ፡ ነቲ ሰብኣይ እቲ ኣይፈልጦን እየ፡ ኢሉ ክራገምን ክምሕልን ጀመረ። ብኡብኡ ኸኣ ደርሆ ነቀወ። 75ጴጥሮስ ድማ ነቲ የሱስ፡ ደርሆ ኸይነቀወ፡ ሰለስተ ሳዕ ክትክሕደኒ ኢኻ፡ ዝበሎ ቓል ዘከረ። ናብ ወጻኢ ኸይዱውን፡ መሪር ብኽያት በኸየ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ወን.ማቴዎስ ምዕራፍ 27
1ምስ ወግሐ፡ ኵሎም ሊቃውንቲ ኻህናትን ዓበይቲ ህዝብን ንየሱስ ክቐትልዎ ተማኸሩ። 2ኣሲሮም ወሰድዎ እሞ ንጲላጦስ፡ ነቲ ሹም፡ ኣሕሊፎም ሃብዎ። 3-4ሽዑ ይሁዳ፡ እቲ ዘትሓዞ፡ ተፈሪድዎ ምስ ረኣየ፡ ተጣዕሰ እሞ፡ ንጹህ ደም ኣሕሊፈ ብምሃበይ በደልኩ፡ ኢሉ ነቲ ሰላሳ ቕርሺ ናብ ሊቃውንቲ ኻህናት ዓበይቲ ህዝብን መለሶ። ንሳቶም ድማ፡ ንሕና እሞ እንታይ ገዲሱና፧ ባዕልኻ ትፈልጥ በልዎ። 5ንሱ ነቲ ኣቕራሽ ኣብ ቤተ መቕደስ ደርብይዎ ወጸ፡ ከይዱውን ተሓንቀ። 6ሊቃውንቲ ኻህናት ነቲ ኣቕራሽ ወሲዶም፡ ዋጋ ደም እዩ እሞ ናብ ሳጹን ምጽዋት ከነእትዎ ኣይግባእን፡ በሉ። 7ተማኺሮም፡ መቓብር ኣጋይሽ ዝኸውን ግራት ሰራሕ መሬት ብእኡ ተሻየጡ። 8ስለዚ ኸኣ እታ ግራት ክሳዕ ሎሚ ግራት ደም ትብሀል ኣላ። 9-10እቲ ብነብዪ ኤርምያስ፡ ዋጋ እቲ ደቂ እስራኤል ዝገምገምዎ ገምጋም ሰላሳ ቕርሺ ወሰዱ። ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዘኒ፡ ንግራት ሰራሕ መሬትውን ሃብዎ እተባህለ ሽዑ ተፈጸመ። 11የሱስ ኣብ ቅድሚ እቲ ሹም ደው በለ። እቲ ሹም ከኣ፡ ንስኻዶ ንጉስ ኣይሁድ ኢኻ፧ ኢሉ ሓተቶ። የሱስ ድማ፡ ንስኻ እኳ ትብል ኣሎኻ፡ በሎ። 12ሊቃውንቲ ኻህናትን ዓበይትን ክኸስዎ ኸለዉ፡ ንሱ ብሕም ኢሉ ኣይመለሰን። 13ሽዑ ጲላጦስ፡ ብኽንደይ ነገር ይምስክሩልካ ኸም ዘለዉዶ ኣይትሰምዕን ኢኻ፧ በሎ። 14እቲ ሹም ብዙሕ ክሳዕ ዝግረም፡ ንሱ ሓንቲ ቓል እኳ ኣይመለሰን። 15እቲ ሹም ነቶም ህዝቢ በብበዓል ዝደለይዎ ሓደ እሱር ክፍትሓሎም ከኣ ንቡር ነበሮም። 16ሽዑ በርባን ዝብሃል ዉሩይ ተኣሲሩ ነበረ። 17-18ተኣኪቦም ከለዉ፡ ጲላጦስ ንየሱስ ብቕንኣት ኣሕሊፎም ከም ዝህብዎ ፈሊጡ ነበረ እሞ፡ ንመን ክፈትሓልኩም ትፈትዉ፡ ንበርባንዶ ወይስ ነቲ ክርስቶስ ዝብሃል የሱስ፧ በሎም። 19ኣብ መንበር ፍርዲ ተቐሚጡ ኸሎ ኸኣ፡ ሰበይቱ፡ ሎሚ ብሕልሚ ስሊኡ ብዙሕ መከራ ረኺቡኒ ኣሎ እሞ፡ ኣብ ነገር እቲ ጻድቕ እቲ ኣይትእቶ፡ ኢላ ለኣኸትሉ። 20እቶም ሊቃውንቲ ኻህናትን ዓበይትን ነቶም እኩባት ህዝቢ ንበርባን ክልምኑሉ፡ የሱስ ግና ክቕተል፡ ሕራይ ኣበልዎም። 21እቲ ሹም፡ ካብ ክልቲኦምሲ ንመን ክፈትሓልኩም ትደልዩ፧ ኢሉ መለሰሎም። 22ንሳቶም፡ ንበርባን፡ በሉ። ጲላጦስ፡ እምበኣርሲ ነቲ ክርስቶስ ዝብሃል የሱስከ እንታይ ክገብሮ፧ በሎም። ኵሎም፡ ይሰቐል፡ በሉ። 23እቲ ሹም፡ እንታይ ክፉእከ ገበረ፧ በሎም። ንሳቶም ግና፡ ይሰቐል፡ እናበሉ ምጭዳር ኣብዝሑ። 24ጲላጦስ ዘይምብዛሕ ጫውጫው እምበር፡ ገለ እኳ ኸም ዘይጠቅም ምስ ረኣየ፡ ማይ ወሲዱ፡ ኣነ ኻብ ደም እዚ ጻድቕ እዚ ንጹህ እየ፡ ባዕላትኩም ፍለጡ፡ እናበለ ኣብ ቅድሚ እቲ ህዝቢ ኣእዳዉ ተሓጽበ። 25ኵሎም እቶም ህዝቢ ኸኣ፡ ደሙ ኣባናን ኣብ ደቅናን ይኹን፡ ኢሎም መለሱሉ። 26ሽዑ ንበርባን ፈትሓሎም፡ ንየሱስ ግና ገሪፉ፡ ከስቀል ኣሕሊፉ ሃቦም። 27ድሕርዚ ዓቀይቲ እቲ ሹም ንየሱስ ናብ ኣዳራሽ ፍርዲ ኣእተውዎ፡ ንብዘሎ ጭፍራውን ናብኡ ኣከቡ። 28ክዳኑ ቐንጢጦም ከኣ ቀይሕ ባርኖስ ከደንዎ። 29ካብ እሾዅ ኣኽሊል ተኒጎም ኣብ ርእሱ ደፍኡሉ፡ ኣብ የማናይ ኢዱ ዘንጊ ኣትሒዞም ከኣ፡ ኣብ ቅድሚኡ እናተደፍኡ፡ ዎ ንጉስ ኣይሁድ፡ ከመይ ኢኻ፧ ኢሎም ኣላገጽሉ። 30ጡፍውን በሉሉ፡ እቲ ዘንጊ ኣግዲፎም ከኣ ርእሱ ወቕዕዎ። 31ምስ ኣላገጽሉ፡ ነቲ ባርኖስ ቀንጢጦም ክዳኑ ኸደንዎ፡ ክስቕልዎውን ወሰድዎ። 32ምስ ወጹ፡ ስምኦን ዝብልዎ ቀሬናዊ ሰብኣይ ረኸቡ። ንእኡ መስቀል ክጸውር ብግዲ በልዎ። 33ጐልጎታ ኣብ እትብሃል ቦታ፡ ትርጓሚኣ ቦታ ኣዕጽምቲ ርእሲ፡ ምስ በጽሑ፡ 34ምስ ሓሞት እተሖሶ መጺጽ ወይኒ ኽሰቲ ሃብዎ። ጥዒሙ ኸኣ ምስታዩ ኣበየ። 35ምስ ሰቐልዎ ኸኣ፡ ዕጭ ኣውዲቖም፡ ክዳውንቱ ተማቐሉ። 36ኣብኡ ተቐሚጦም ድማ ይሕልውዎ ነበሩ። 37እዚ የሱስ ንጉስ ኣይሁድ ኣዩ፡ ዝብል ጽሕፈት ክሱ ኣብ ልዕሊ ርእሱ ኣንበርዎ። 38ሽዑ ኽልተ ኸተርቲ፡ ሓደ ብየማኑ ሓደ ድማ ብጸጋሙ፡ ምስኡ ሰቐሉ። 39-40ሓለፍቲ ድማ ርእሶም እናነቕነቑ፡ ኣታ ንቤት መቕደስ ኣፍሪስካስ ብሰለስተ መዓልቲ እትሃንጻ፡ ርእስኻ እስኪ ኣድሕን። ወዲ ኣምላኽ እንተ ዄንካስ፡ ካብ መስቀል ውረድ፡ እናበሉ ይጸርፍዎ ነበሩ። 41ከምኡ ድማ ሊቃውንትን ኻህናት፡ ምስ ጸሓፍትን ዓበይትን ኰይኖም፡ የላግጹሉ ነበሩ፡ ከምዚ ኢሎም፡ 42ንኻልኦት ኣድሓኖም፡ ርእሱ ግና ከድሕን ኣይከኣለን። ንጉስ እስራኤል እንተ ዀይኑስ፡ ሕጂ ኻብ መስቀል ይውረድ፡ ንሕና ኸኣ ብእኡ ኽንኣምን። 43ብኣምላኽ ተኣሚኑ እዩ፡ ድማ ወዲ ኣምላኽ እየ፡ ኢሉ ኣሎ እሞ፡ ሰሚርዎ እንተ ዀይኑስ፡ ሕጂ የድሕኖ። 44እቶም ምስኡ እተሰቕሉ ኸተርቲውን ከምኡ እናበሉ ይጸርፍዎ ነበሩ። 45ካብ ሳድሰይቲ ሰዓት ጀሚሩ ኽሳዕ ታስዐይቲ ሰዓት ከኣ ብዘሎ ምድሪ ጸልመተ። 46ብታስዐይቲ ሰዓት የሱስ፡ ኤሎሄ፡ ኤሎሄ፡ ላማ ሰበቅታኒ፧ ኢሉ ብዓብዪ ድምጺ ጨርሐ። እዚ ኸኣ፡ ኣምላኸይ፡ ኣምላኸይ፡ ንምንታይ ሓደግካኒ፧ ማለት እዩ። 47ካብቶም ኣብኡ ደው ዝበሉ ሰሚዖም፡ እዝስ ንኤልያስ ይጽውዖ ኣሎ፡ በሉ። 48ሽዑ ሓደ ኻባታቶም ጐይዩ፡ ሰፍነግ ኣልዒሉ መጺጽ መሊኡ፡ ብዘንጊ ገይሩ ኣስተዮ። 49ካልኦት ድማ፡ ኤልያስ መጺኡ ዘድሕኖ እንተ ዀይኑስ፡ ክንርኢ፡ ሕደግዎ፡ በሉ። 50የሱስ ከም ብሓድሽ ብዓብዪ ድምጺ ጨርሐ፡ ነፍሱ ድማ ወጸት። 51እንሆ፡ መጋረጃ ቤተ መቕደስ ካብ ላዕሊ ኽሳዕ ታሕቲ ኣብ ክልተ ተተርተረ። ምድሪ ኣንቀጥቀጠት፡ ኣኻውሕ ድማ ተጨዱ። 52መቓብራትውን ተኸፍቱ፡ ብዙሓት ደቂሶም ዝነበሩ ስጋ ቅዱሳን ተንስኡ። 53ድሕሪ ትንሳኤኡ ኻብ መቓብሮም ወጺኦም ናብታ ቅድስቲ ኸተማ ኣተዉ፡ ንብዙሓት ከኣ ተራእዩ። 54እቲ ሓለቓ ሚእትን እቶም ንምሕላው የሱስ ምስኡ ዝነበሩን ከኣ ምንቅጥቃጥ ምድርን እቲ ዝዀነ ነገርን ምስ ረኣዩ፡ እዚ ብሓቂ ወዲ ኣምላኽ ነይሩ፡ ኢሎም ኣዝዮም ፈርሁ። 55ኣብኡ ብዙሓት ኣንስቲ ርሕቕ ኢለን ይርእያ ነበራ። ንሳተን ንየሱስ ከገልግላኦ ኻብ ገሊላ ዝሰዓባኦ እየን። 56ካባታተን ከኣ ማርያም ብዓልቲ መግደላን ማርያም ኣደ ያእቆብን ዮሴፍ ኣደ ደቂ ዘብዴዎስን ነበራ። 57ምስ መሰየ ድማ፡ ዮሴፍ ዝብሀል ሃብታም ሰብኣይ ካብ ኣርማትያስ መጸ። ንሱ ኸኣ ወደ መዝሙር የሱስ ኰይኑ ነበረ። 58ንሱ ናብ ጲላጦስ ከይዱ ስጋ የሱስ ለመኖ። ሽዑ ጲላጦስ ክህብዎ ኣዘዘ። 59ዮሴፍ ነቲ ስጋኡ ወሲዱ፡ ብሓድሽ በፍታ ገነዞ። 60ንርእሱ ኢሉ ኣብ ከውሒ ኣብ ዘውቀሮ ሓድሽ መቓብር ኣንበሮ፡ ነቲ ኣፍ መቓብር ከኣ ብዓብዪ እምኒ ዓጽይዎ ኸደ። 61ኣብኡ ማርያም ብዓልቲ መግደላን እታ ኻልኣይቲ ማርያምን ኣብ ማዕዶ መቓብር ተቐሚጠን ነበራ። 62ንጽብሒቱ ድሕርታ ምድላው እትውዕል መዓልቲ ሊቃውንቲ ኻህናትን ፈሪሳውያንን ናብ ጲላጦስ ተኣኪቦም፡ 63ጐይታይ፡ እቲ መስሓቲ ብህይወቱ ኸሎ፡ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ኽትንስእ እየ፡ ከም ዝበለ ዘከርና። 64ስለዚ ደቀ መዛሙርቱ ብለይቲ መጺኦም ከይሰርቅዎ እሞ ንህዝቢ፡ ካብ ምውታት ተንሲኡ፡ ከይብሉ፡ ካብታ ቐዳመይትስ እታ ዳሕረይቲ ስሕተት ከይትገድድ፡ እቲ መቓብር ክሳዕ ሰለስተ መዓልቲ ኽሕሎ ኣዝዝ፡ በልዎ። 65ጲላጦስ፡ ሓለውቲ እነዉልኩም፡ ኬድኩም ከም ፍልጠትኩም ኣጽኒዕኩም ሓልዉ፡ በሎም። 66ከይዶም ነቲ መቓብር ኣጽንዕዎ፡ ነቲ እምኒ ድማ ምስቶም ሓለውቲ ዀይኖም ማሕተም ገበሩሉ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ወን.ማቴዎስ ምዕራፍ 28
1ድሕሪ ሰንበት፡ ወጋሕታ እታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን፡ ማርያም ብዓልቲ መግደላን እታ ኻልኣይቲ ማርያምን መቓብር ክርእያ መጻ። 2እንሆ፡ ዓብዪ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዀነ፡ መልኣኽ እግዚኣብሄር ካብ ሰማይ ወሪዱ፡ ቅርብ ኢሉ ነቲ እምኒ ገልበጦ፡ ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ተቐመጠ። 3ትርኢቱ ኸም በርቂ፡ ክዳኑ ድማ ጻዕዳ ኸም በረድ እዩ። 4እቶም ሓለውቲ ንእኡ ፈሪሆም ራዕራዕ በሉ፡ ከም ዝሞቱውን ኰኑ። 5እቲ መልኣኽ መሊሱ ነተን ኣንስቲ በለን፡ ንስኻትክንሲ ነቲ እተሰቐለ የሱስ ትደልያ ኸም ዘሎኽን፡ እፈልጥ ኣሎኹ እሞ፡ ኣይትፍርሃ። 6ከምቲ ዝበሎ፡ ተንሲኡ እዩ እሞ፡ ኣብዚ የሎን። ነታ ጐይታ ተነቢርዋ ዝነበረ ስፍራ፡ ንዕነ ርኣያ። 7ቀልጢፍክን ደኣ ኺዳ እሞ፡ ካብ ምዉታት ከም ዝተንስአ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ንገራኦም። እንሆ፡ ናብ ገሊላ ክቕድመኩም እዩ፡ ኣብኡ ኽትርእይዎ ኢኹም። እንሆ፡ ነገርኩኹን። 8ካብቲ መቓብር ብፍርሃትን ብብዙሕ ሓጐስን ቀልጢፈን ከዳ እሞ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ክነግራኦም ጐየያ። 9ንደቀ መዛሙርቱ ክነግራ ክኸዳ ኸለዋ፡ እንሆ፡ የሱስ ተጓነፈን፡ ከመይ ኢኽን፡ ከኣ በለን። ንሳተን ቅርብ ኢለን፡ እግሩ ሒዘን ሰገዳሉ። 10ሽዑ የሱስ፡ ኣይትፍርሃ፡ ኪዳ እሞ ነሕዋተይ ናብ ገሊላ ክኸዱ ንገራኦም፡ ኣብኡውን ክርእዩኒ እዮም፡ በለን። 11ንሳተን ምስ ከዳ፡ እንሆ፡ ሓያሎ ኻብ ሓለውቲ ናብ ከተማ መጺኦም፡ እቲ ዝዀነ ዅሉ ንሊቃውንቲ ኻህናት ነገርዎም። 12ንሳቶም ምስ ዓበይቲ ተኣኪቦም ተማኸሩ፡ ነቶም ዓቀይቲ ኸኣ ብዙሕ ወርቂ ሃብዎም እሞ፡ 13ብለይቲ ደቂስና ኸሎና፡ ደቀ መዛሙርቱ መጺኦም ሰሪቖምዎ፡ ኢልኩም ንገሩ። 14እዚ ኣብቲ ሹም እንተ ተሰምዐ፡ ንሕና ኸነረድኦ፡ ንኣኻትኩም ድማ ከም ዘይትጕህዩ ኽንገብረኩም ኢና፡ በልዎም። 15እቲ ወርቂ ተቐቢሎም፡ ከምታ ዝመሃርዎም ገበሩ። እዚ ዘረባ እዚ ኣብ ኣይሁድ ክሳዕ ሎሚ ይውረ ኣሎ። 16እቶም ዓሰርተው ሓደ ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ፡ ናብቲ የሱስ ዝኣዘዞም ከረን ገሊላ ኸዱ። 17ምስ ረኣይዎ፡ ሰገድሉ። ገሊኦም ግና ተወላወሉ። 18የሱስ ቀሪቡ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦም፡ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኵሉ ስልጣን ተዋሂቡኒ ኣሎ። 19-20ስለዚ ኺዱ ንዅሎም ኣህዛብ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም፡ ዝኣዘዝኩኹም ኵሉ ኽሕልዉ ኸኣ እናመሃርኩም፡ ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም። እንሆ ድማ፡ ኣነ ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ።
ቅዱስ ማርቆስ ዝጸሓፎ ወንጌል
1 2 3 4 5 6 7 8
9 10 11 12 13
14 15 16
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ወን.ማርቆስ ምዕራፍ 1
1መጀመርታ ወንጌል ናይ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ። 2ከምቲ ብነብዪ ኢሳይያስ፡ እንሆ፡ መገድኻ ዝጸርግ መልኣኸይ ቀቅድሜኻ እልእኽ ኣሎኹ፡ 3ኣብ በረኻ ዝእውጅ ድምጺ ኣዋጅ ነጋሪ፡ ጐደና እግዚኣብሄር ጽረጉ መገዱውን ኣቕንዑ፡ ኢሉ እተጻሕፈ፡ 4ከምኡ ኸኣ ዮሃንስ ኣብ በረኻ እናኣጥመቐ፡ ንሕድገት ሓጢኣት ዝኸውን ጥምቀት ንስሓ እናሰበኸ መጸ። 5ብዘላ ሃገር ይሁዳን ኩሎም ሰብ የሩሳሌምን ናብኡ ይወጹ፡ ብሓጢኣቶም እናተናዘዙውን፡ ኣብ ርባ ዮርዳኖስ ብእኡ ይጥመቑ ነበሩ። 6ክዳን ዮሃንስ ከኣ ጸጕሪ ገመል፡ ዕጣቕ ሕቝኡውን ፈልቍ ነበረ፡ ኣንበጣ መዓር ሰንካልን ይምገብ ነበረ። 7-8ንሱ ኸኣ፡ ካባይ ዝብርትዕ፡ ኣነ ደኒነ ንምፍታሕ ስራኽ ኣሳእኑ ዘይበቅዕ፡ ደድሕረይ ይመጽእ ኣሎ። ኣነ ብማይ አጥምቐኩም ኣሎኹ፡ ንሱ ግና ብመንፈስ ቅዱስ ከጥምቐኩም እዩ፡ እናበለ ሰበኸ። 9በቲ ቅነ እቲ ዀነ፡ የሱስ ካብ ናዝሬት ናይ ገሊላ መጸ፡ ብዮሃንስ ከኣ ኣብ ዮርዳኖስ ተጠምቀ። 10ካብ ማይ ምስ ወጸ፡ ብኡብኡ ሰማያት ክኽፈታ፡ መንፈስ ድማ ከም ርግቢ ኽወርድ ከሎ ረኣየ። 11ካብ ሰማይ ከኣ፡ ብኣኻ ዝሰመርኩ ፍትዊ ወደይ ንስኻ ኢኻ፡ ዝብል ድምጺ መጸ። 12መንፈስ ከኣ ብኡብኡ ናብ በረኻ ኣውጽኦ። 13ኣብቲ በረኻ ድማ፡ ሰይጣን እናፈተኖ፡ ኣርብዓ መዓልቲ ጸንሐ። ምስ ኣራዊት ከኣ ነበረ፡ መላእኽቲውን ኣገልገልዎ። 14-15ድሕሪ ማእሰርቲ ዮሃንስ ከኣ የሱስ ናብ ገሊላ መጸ እሞ፡ እቲ ዘመን ተፈጸመ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ከኣ ቀረበት፡ ተነስሑ ብወንጌልውን እመኑ፡ እናበለ ወንጌል መንግስቲ ኣምላኽ ሰበኸ። 16ኣብ ጥቓ ባሕሪ ገሊላ ክመላለስ ከሎ፡ ስምኦንን እንድርያስ ሓዉን ገፈፍቲ ዓሳ ነበሩ እሞ፡ መርበቦም ኣብ ባሕሪ ክድርብዩ ኸለዉ ረኣዮም። 17የሱስ ድማ፡ ገፈፍቲ ሰብ ክገብረኩም እየ፡ ንዑ ስዓቡኒ፡ በሎም። 18ብኡብኡ መርበቦም ሓዲጎም ሰዓብዎ። 19ካብኡ ንእሽቶ ሕልፍ ኢሉ ኸኣ፡ ያእቆብ ወዲ ዘብዴዎስን ዮሃንስ ሓዉን ኣብ ጃልባ መርበቦም ከዕርዩ ከለዉ ረኣዮም። 20ብኡብኡ ጸውዖም። ነቦኦም ዘብዴዎስ ምስ ግዙኣቱ ኣብ ጃልባ ሓዲጎም ሰዓብዎ። 21ኣብ ቅፍርናሆም ኣተዉ፡ ብኡብኡ ኸኣ ብሰንበት ናብ ቤት ጸሎት ኣትዩ መሃረ። 22ከምቶም ጻሓፍቲ ዘይኰነስ፡ ስልጣን ከም ዘለዎ ይምህሮም ነበረ እሞ፡ በቲ ምህሮኡ ተገረሙ። 23ኣብ ቤት ጸሎቶም ድማ ርኹስ መንፈስ ዘለዎ ሰብኣይ ነበረ፡ 24ንሱ ኸኣ፡ የሱስ ናዝራዊ፡ ምሳኻ እሞ እንታይ ኣሎና፧ ከተጥፍኣናዶ መጺእካ፧ ኣታ ናይ ኣምላኽ ቅዱስ፡ መን ምዃንካ ፈሊጠካ ኣሎኹ፡ እናበለ ጨደረ። 25የሱስ ከኣ፡ ስቕ በል፡ ካብኡውን ውጻእ፡ ኢሉ ገንሖ። 26እቲ ርኹስ መንፈስ ከኣ ፈንጠርጠር ኣበሎ፡ ብዓብዪ ድምጺ እናጨደረ ኸኣ ካብኡ ወጸ። 27ኩሎም ድማ፡ እንታይ እዩ እዚ፧ እዝስ እንታይ ሓድሽ ምህሮኡ እዩ፧ ንርኹሳት መናፍስቲ ብስልጣን ይእዝዞም፡ ንሳቶም ከኣ ይእዘዙሉ ኣለዉ፡ እናበሉ ንሓድሕዶም ክሳዕ ዝተሓታተቱ ሰምበዱ። 28ወሪኡ ድማ ብኡብኡ ናብ ኵላ ሃገር ገሊላ ወጸ። 29ካብ ቤት ጸሎት ወጺኡ ድማ፡ ብኡብኡ ምስ ያእቆብን ዮሃንስን ናብ እንዳ ስምኦንን እንድርያስን ኣተወ። 30ሓማት ስምኦን ከኣ ዓሶ ሓሚማ ነበረት፡ ብኡብኡ ብዛዕባኣ ነገርዎ። 31ንሱ ድማ ናብኣ ቐሪቡ፡ ኢዳ ሒዙ ኣተንስኣ። ብኡብኡ እቲ ዓሶ ሓደጋ፡ ንሳውን ኣገልገለቶም። 32ምስ መሰየ፡ ጸሓይ ምስ ዓረበት፡ ሕማም ዘለዎም፡ ኣጋንንቲውን ዝሓደሮም ኩሎም ናብኡ ኣምጽኡ። 33ብዘላ እታ ኸተማ ኸኣ ኣብ ገበላ ተኣከበት። 34ብዙሕ ዝዓይነቱ ሕማም ዘለዎም፡ ብዙሓት ሕሙማት ከኣ ኣሕወየ፡ ብዙሓት ኣጋንንቲውን ኣውጽአ፡ እቶም ኣጋንንቲ ኸኣ ይፈልጥዎ ነበሩ እሞ፡ ክዛረቡ ኣይፈቐደሎምን። 35ኣንጊሁ ተንሲኡ፡ ገና ለይቲ ኸሎ፡ ወጸ። ናብ ጽምዊ ቦታ ኸይዱ ድማ ኣብኡ ጸለየ። 36ስምኦንን እቶም ምስኡ ዘለዉን ድማ ክደልይዎ ኸዱ። 37ምስ ረኸብዎ ኸኣ፡ ኩሎም እምበር ይደልዩኻ ኣለዉ፡ በልዎ። 38ንሱ ድማ፡ ምእንትዚ እየ ወጺአ ዘሎኹ እሞ፡ ኣብ ካልእ ኣብዚ ቐረባ ዓድታትውን ኣብኡ ኽሰብኽ፡ ንዑናይ ንኺድ፡ በሎም። 39ኣብ ጸሎቶም እናሰበኸ ኣጋንንቲውን እናውጽአ ኣብ ኩላ ሃገር ዞረ። 40ሓደ ለምጸም ናብኡ መጸ፡ ተምበርኪኹ ድማ፡ እንተ ትፈቱስ፡ ከተንጽሃኒ ትኽእል ኢኻ፡ እናበለ ለመኖ። 41የሱስ ከኣ ደንገጸሉ፡ ኢዱ ዘርጊሑ ተንከዮ፡ ፈትየ ኣሎኹ፡ ንጻህ፡ በሎ። 42እዚ ምስ በለ፡ እቲ ለምጺ ብኡብኡ ሓደጎ፡ ነጽሀ ኸኣ። 43-44የሱስ ድማ፡ ኪድ ርእስኻ ንኻህን ኣርኢ፡ ክንዲ ዝነጻህካውን ንኣታቶም ምስክር ክዀኖም፡ እቲ ሙሴ ዝኣዘዞ መባእ ኣቕርብ እምበር፡ ንሓደ እኳ ገለ ኸይትነግር ተጠንቀቕ፡ ኢሉ ኣሕሚሙ ተዛሪቡ ሰደዶ። 45ንሱ ግና ወጺኡ ብዙሕ ክሰብኽን ነቲ ነገር ከውርዮን ጀመረ። የሱስ ከኣ ኣብ ወጻኢ ኣብ ጽምዊ ስፍራ ነበረ፡ ካብ ኵሉ ወገን ድማ ናብኡ ይመጹ ነበሩ እምበር፡ ብግልጺ ናብ ከተማ ክኣቱ ኣይኰነሉን።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ወን.ማርቆስ ምዕራፍ 2
1ድሕሪ ሒደት መዓልቲ ድማ ኣብ ቅፍርናሆም ኣተወ እሞ ኣብ ቤት ከም ዘሎ ተሰምዐ። 2ብኡብኡ ወገፈ ምእካል ክሳዕ ዝስእኖም፡ ብዙሓት ተኣከቡ። ቃል ድማ ይነግሮም ነበረ። 3ኣርባዕተ ሰብኣይ ዝጾርዎ መጻጕዕ ናብኡ ኣምጽኡ። 4ህዝቢ ስለ ዝበዝሐ፡ ናብኡ ምእታው እንተ ሰኣኑ ኸኣ፡ ናሕሲ እታ ዘለዋ ቤት ኣፍረሱ። ምስ ኣፍረሱ፡ ነታ እቲ መጻጕዕ ደቂስዋ ዘሎ ዓራት ኣውረድዋ። 5የሱስ ድማ እምነቶም ርእዩ፡ ነቲ መጻጕዕ፡ ወደይ፡ ሓጢኣትካ ተሓዲጉልካ፡ በሎ። 6-7ሓያሎ ኻብ ጸሓፍቲ ኣብኡ ተቐሚጦም ነበሩ፡ ብልቦም ድማ፡ ስለምንታይ እዚ ኸምዚ ዝበለ ጸርፊ ይዛረብ ኣሎ፧ ብዘይ ሓደ ኣምላኽከ መን እዩ ሓጢኣት ክሓድግ ዝኽእል፧ ኢሎም ሓሰቡ። 8የሱስ፡ ብልቦም እዚ ኸም ዝሓሰቡ፡ ብኡብኡ ብመንፈሱ ፈሊጡ በሎም፡ ንምንታይ እዚ ብልብኹም ትሓስቡ ኣሎኹም፧ 9ኣያናይ ይቐልል፡ ነዚ መጻጕዕ ሓጢኣትካ ተሓዲጉልካ ምባልዶ፡ ወይስ ተንስእ እሞ ዓራትካ ኣልዒልካ ኺድ፡ ምባል፧ 10ወዲ ሰብ ግና ሓጢኣት ክሓድግ ኣብ ምድሪ ስልጣን ከም ዘለዎ ምእንቲ ኽትፈልጡ፡— ነቲ መጻጕዕ፡ 11ንኣኻ እብለካ ኣሎኹ፡ ተንስእ እሞ ዓራትካ ኣልዒልካ ናብ ቤትካ ኺድ፡ በሎ። 12ብኡብኡ ተንሲኡ፡ ዓራቱ ኣልዒሉ፡ ኣብ ቅድሚ ዅሎም ወጸ፡ ኩሎም ተደነቑ እሞ፡ ከምዚ ዝበለስ ከቶ ኣይርአናን፡ ኢሎም ንኣምላኽ ኣመስገንዎ። 13ከም ብሓድሽ ከኣ ናብ ገምገም ባሕሪ ወጸ፡ ኵሉ ህዝቢ ኸኣ ናብኡ መጸ፡ ይምህሮምውን ነበረ። 14ክሓልፍ ከሎ ድማ፡ ንሌዊ ወዲ እልፍዮስ ኣብ በሪ ተጎ ተቐሚጡ ረኣዮ እሞ፡ ስዓበኒ፡ በሎ። ተንሲኡ ኸኣ ሰዓቦ። 15ኰነ ድማ፡ ንሱ ኣብ ቤቱ ኣብ መኣዲ ተቐመጠ፡ ዝሰዓብዎ ብዙሓት ነበሩ እሞ፡ ብዙሓት ተገውትን ሓጥኣንን ድማ ምስ የሱስን ምስ ደቀ መዛሙርቱን ተቐመጡ። 16እቶም ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ምስ ተገውትን ምስ ሓጥኣንን ክበልዕ ከሎ ምስ ረኣይዎ፡ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ስለምንታይከ ምስ ተገውትን ምስ ሓጥኣንን ዝበልዕን ዝሰትን፧ በልዎም። 17የሱስ ሰሚዑ፡ ንሓኪምሲ ሕሙማት እምበር፡ ጥዑያት ኣይደልይዎን እዮም። ንሓጥኣን እምበር ንጻድቃን ክጽውዕ ኣይመጻእኩን፡ በሎም። 18ደቀ መዛሙርቲ ዮሃንስን ፈሪሳውያንን ይጾሙ ነበሩ። መጺኦም ከኣ፡ ደቀ መዛሙርቲ ዮሃንስን ፈሪሳውያንን ይጾሙ ኣለዉ፡ ስለምንታይ ደኣ ደቀ መዛሙርትኻ ዘይጸሙ፧ በልዎ። 19የሱስ ከኣ በሎም፡ ኣዕሩኽ መርዓዊኸ፡ እቲ መርዓዊ ምሳታቶም ከሎ፡ ከመይ ኢሎም ክጾሙ ይዀነሎም፧ መርዓዊ ምሳታቶም ከሎስ ክጾሙ ኣይዀነሎምን እዩ። 20መርዓዊ ኻባታቶም ዝውሰደላ መዓልቲ ደኣ ኽትመጽእ እያ እሞ፡ ሽዑ በታ መዓልቲ እቲኣ ክጾሙ እዮም። 21ቁራጽ ሓድሽ ዓለባ ኣብ ብላይ ክዳን ዝልግብ ከቶ የልቦን። እንተ ዘይኰነስ እቲ ሓድሽ መልገባ ነቲ ብላይ ይቐዶ፡ ምቕዳዱ ኸኣ ዝገደደ እዩ ዝኸውን። 22ንሓድሽ ወይኒ ድማ፡ ኣብ ሓደስቲ ኣሕርብቲ የዕርቕዎ እምበር፡ ንሓድሽ ወይንስ ኣብ ኣረገውቲ ኣሕርብቲ ዘዕርቖ የልቦን። እንተ ዘይኰነስ እቲ ሓድሽ ወይኒ ነቲ ኣሕርብቲ ይቐዶ፡ እቲ ወይኒ ይፈስስ፡ ኣሕርብቲውን ይበላሾ። 23ኰነ ድማ፡ የሱስ ብሰንበት ብማእከል ዝሩእ ግርሁ ክሓልፍ ከሎ፡ ደቀ መዛሙርቱ መገዲ እናኸዱ፡ ሰዊት ክምንቍሱ ጀመሩ። 24ፈሪሳውያን ድማ፡ ርአ፡ ስለምንታይ ብሰንበት ምግባሩ ዘይተፈቕደ ይገብሩ ኣለዉ፧ በልዎ። 25-26ንሱ ኸኣ፡ ዳዊት ምስ ሰኣነን ምስ ጠመየን ዝገበሮስ፡ ንሱን እቶም ምስኡ ዝነበሩን ብዘመን ኣብያታር ሊቀ ኻህናት ከመይ ኢሉ ናብ ቤት ኣምላኽ ከም ዝኣተወ፡ ብጀካ ንኻህናት እምበር፡ ምብላዑ ዘይግባእ እንጌራ ምርኣይ ከም ዝበልዐ፡ ነቶም ምስኡ ዝነበሩውን ከም ዝሃቦምሲ፡ እኳዶ ኣየንበብኩምን፧ በሎም። 27ሰንበት ደኣ እያ ምእንቲ ሰብ እተፈጥረት እምበር፡ ሰብሲ ምእንቲ ሰንበት ኣይኰነን። 28እምበኣርከ ወዲ ሰብ ጐይታ ሰንበት ድማ እዩ፡ በሎም።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ወን.ማርቆስ ምዕራፍ 3
1ከም ብሓድሽ ድማ ናብ ቤት ጸሎት ኣተወ፡ ኣብኡ ኸኣ ኢዱ ዝነቐጸት ሰብኣይ ነበረ። 2ምእንቲ ክኸስዎ ድማ፡ ብሰንበት እንተ ኣሕወዮ ይጸናጸንዎ ነበሩ። 3ነቲ ኢዱ ዝነቐጸት ሰብኣይ፡ ተንስእ እሞ ኣብ ማእከል ደው በል፡ በሎ። 4ንሱ ድማ፡ ብሰንበትሲ ጽቡቕ ምግባርዶ ወይስ ክፉእ ምግባር፡ ምድሓን ነፍሲዶ ወይስ ምቕታላ ይግባእ፧ በሎም። ንሳቶም ግና ኣጽቀጡ። 5በቲ ድርቅና ልቦም ጕህዩ፡ ብኹራ ጠመቶም፡ ነቲ ሰብኣይ ከኣ፡ ኢድካ ዘርግሕ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ ዘርግሓ፡ እታ ኢዱውን ሓወየት። 6ፈሪሳውያን ድማ ብኡብኡ ወጺኦም፡ ከመይ ገይሮም ከም ዘጥፍእዎ፡ ምስ ሄሮድሳውያን ኰይኖም ብዛዕባኡ ተማኸሩ።
7የሱስ ድማ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ናብ ባሕሪ ኣግለሰ። ካብ ይሁዳን ካብ ገሊላን ከኣ ብዙሕ ህዝቢ ሰዓቦ። 8ከመይ ዝበለ ዓብዪ ግብሪ ኸም ዝገበረ ምስ ሰምዑ፡ ካብ የሩሳሌም፡ ካብ ኤዶምያስ፡ ካብ ማዕዶ ዮርዳኖስ፡ ካብ ምድሪ ጢሮስን ሲዶናን ብዙሓት ህዝቢ ናብኡ ተኣከቡ። 9ንደቀ መዛሙርቱ ድማ እቲ ህዝቢ ምእንቲ ኸይደፍኦ፡ ንእሽቶ ጃልባ ኸጽንሑሉ ነገሮም። 10ንብዙሓት ኣሕውይዎም ነበረ እሞ፡ ስለዚ ሕማም ዘለዎም ኩሎም ምእንቲ ኽትንክይዎ ኣብኡ ይወድቁ ነበሩ። 11ርኹሳት መናፍስቲውን ምስ ረኣይዎ፡ ንስኻ ወዲ ኣምላኽ ኢኻ፡ ኢሎም እናጨደሩ ኣብ ቅድሚኡ ተደፍኡ። 12ንሱ ኸኣ ከየግህድዎ ብዙሕ ገንሖም።
13ናብ ከረን ደይቡ ድማ፡ ንዝደለዮም ጸውዐ፡ ናብኡ ኸኣ መጹ። 14ምስኡምእንቲ ክዀኑን ክሰብኩ ምእንቲ ኽልእኮምን፡ ዓሰርተው ክልተ ገበሮም፡ 15ሕሙማት ከሕውዩ ኣጋንንቲውን ከውጽኡ ድማ፡ ስልጣን ሃቦም። 16ንስምኦን ከኣ ጴጥሮስ ኣውጽኣሉ፡ 17ያእቆብ ወዲ ዘብዴዎስ፡ ዮሃንስ ከኣ ሓዉ፡ ንኣታቶም ድማ ቦኣኔርጌስ ኣውጻሎም፡ ማለት፡ ደቂ ነጐዳ። 18እንድርያስን ፊልጶስን በርተሎሚዎስን ማቴዎስን ቶማስን ያእቆብ ወዲ እልፍዮስን ታዴዎስን ስምኦን ብዓል ቃናን፡ 19እቲ ዘትሓዞ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ድማ።
20ናብ ቤት ከኣ ኣተወ፡ ምብላዕ እንጌራ ኽሳዕ ዝስእኑ ኸኣ፡ ከም ብሓድሽ ብዙሕ ህዝቢ ተኣከበ። 21ኣዝማዱ ምስ ሰምዑ፡ ተጸሊሉ ኢሎምዎ ነበሩ እሞ፡ ክሕዝዎ መጹ። 22ካብ የሩሳሌም ዝወረዱ ጸሓፍቲ ድማ፡ ብኤልዜቡል ኣለዎ፡ ነጋንንቲ ብሓለቓ ኣጋንንቲ እዩ ዘውጽኦም ዘሎ፡ በሉ። 23የሱስ ጸውዖም፡ ብምስላታት ከኣ በሎም፡ ሰይጣን ከመይ ገይሩ ንሰይጣን ከውጽኦ ይዀነሉ፧ 24መንግስቲ ንሓድሕዳ እንተ ተፋላለየት፡ እታ መንግስቲ እቲኣ ኽትቀውም ኣይትኽእልን እያ። 25ቤትውን ንሓድሕዳ እንተ ተፋላለየት፡ እታ ቤት እቲኣ ኽትቀውም ኣይትኽእልን። 26ሰይጣን ከኣ ንገዛእ ርእሱ እንተ ተጻረረን እንተ ተፋላለየን፡ ይጠፍእ እምበር፡ ክቐውም ኣይክእልን። 27ሓደ እኳ፡ ቅድም ነቲ ሓያል እንተ ዘይኣሰረ፡ ናብ ቤት ሓያል ኣትዩ ገንዘቡ ኽብዝብዝ ዝኽእል የልቦን። ሽዑ ኸኣ ቤቱ ይብዝብዝ። 28ንደቂ ሰብ ኩሉ ሓጢኣትን ዝጸረፍዎ ዘበለ ጸርፍን ክሕደገሎም እዩ። 29እቲ ንመንፈስ ቅዱስ ዝጸረፈ ግና ሓጢያቱ ንዘለኣለም ይኹንኖ እምበር፡ ንዘለኣለም ሕድገት ከም ዘይረክብ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 30ርኹስ መንፈስ ኣለዎ፡ ስለ ዝበሉ እዩ እዚ ዝበሎም።
31ኣዲኡን ኣሕዋቱን መጹ፡ ብወጻኢ ደው ኢሎም ከኣ ጸዋዕቲ ለኣኹሉ። 32ብዙሕ ህዝቢ ኸቢብዎ ተቐሚጡ ነበረ እሞ፡ እንሆ ኣዴኻን ኣሕዋትካን ኣብ ወጻኢ ኣለዉ ይደልዩኻውን ኣለዉ፡ በልዎ። 33መሊሱ፡ ኣደይ መን እያ፡ ኣሕዋተይከ እንመን እዮም፧ በሎም። 34ነቶም ከቢቦምዎ ተቐሚጦም ዘለዉ ጠሚቱ ኸኣ፡ ኣደይን ኣሕዋተይንሲ እነዉ። 35ሓወይን ሓብተይን ኣደይንሲ ፍቓድ ኣምላኽ ዝገብር ዘበለ ዅሉ እዩ፡ በሎም።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ወን.ማርቆስ ምዕራፍ 4
1ከም ብሓድሽ ድማ ኣብ ገምገም ባሕሪ ክምህር ጀመረ። ኣብቲ ባሕሪ ናብ ጃልባ ኣትዩ ኽሳዕ ዝቕመጥ፡ ብዙሕ ህዝቢ ናብኡ ተኣከበ። ኩሉ እቲ ህዝቢ ኸኣ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ኣብ ምድሪ ነበረ። 2ብብዙሕ ምስላታት ድማ መሃሮም፡ በቲ ምህሮኡ ኸኣ በሎም፡ 3ስምዑ፡ እንሆ፡ ዘራኢ ኽዘርእ ወፈረ። 4ኰነ ኸኣ፡ ክዘርእ ከሎ፡ ገለ ኣብ ጥቓ መገዲ ወደቐ፡ ኣዕዋፍ መጺአን ድማ በልዓኦ። 5ገሊኡ ኸኣ ብዙሕ ሓመድ ኣብ ዘይብሉ ኸውሒ ወደቐ፡ ዓሚቑ ሓመድ ዘይብሉ ስለ ዝዀነ ድማ ቀልጢፉ በቘለ። 6ጸሓይ ምስ በረቐት ግና፡ ሃጐጐ፡ ሱር ስለ ዘይብሉውን ነቐጸ። 7ገሊኡ ኸኣ ኣብ እሾኽ ወደቐ፡ እቲ እሾኽ ከኣ ዓብዩ ሓነቖ ፍረውን ኣይፈረየን። 8ገሊኡ ድማ ኣብ ጽቡቕ ምድሪ ወደቐ፡ ዝበቁልን ዝዓብን ፍረ ኸኣ ሃበ፡ ገሊኡ ሰላሳ፡ ገሊኡ ስሳ፡ ገሊኡ ኸኣ ሚእቲ ፈረየ። 9ንምስማዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ፡ በለ።
10ንበይኑ ምስ ኰነ፡ እቶም ከቢቦምዎ ዘለዉ ምስቶም ዓሰርተው ክልተ ዀይኖም፡ ብዛዕባ እቲ ምስላ ሓተትዎ። 11ንሱ ኸኣ በሎም፡ ምፍላጥ ምስጢር መንግስቲ ኣምላኽ ንኣኻትኩም እዩ እተዋህበ፡ ነቶም ብወጸኢ ዘለዉ ግና፡ 12እናረኣዩ ኽርእዩ እሞ ከይስወጦም፡ እናሰምዑ ኽሰምዑ እሞ ከየስተውዕሉ፡ ከይምለሱ ይቕረውን ምእንቲ ኸይብለሎምሲ፡ ኩሉ ብምስላ እዩ ዝኸውን። 13በሎም ድማ፡ ነዚ ምስላ እዝዶ ኣይፈለጥኩምዎን፧ ከመይ ጌርኩም ደኣ ንኹሉ ምስላታት ከተስተውዕልዎ ኢኹም፧ 14እቲ ዘራኢ ነቲ ቓል ይዘርኦ። 15እቶም ቃል ኣብ እተዘርኦ ጥቓ መገዲ ዘለዉ እዚኣቶም እዮም፡ ምስ ሰምዑ፡ ብኡብኡ ሰይጣን መጺኡ ነቲ ኣብ ልቦም እተዘርአ ቓል ይወስዶ። 16ከምኡ ኸኣ እቶም ኣብ ከውሒ እተዘርኡ እዚኣቶም እዮም፡ ነቲ ቓል ምስ ሰምዕዎ፡ ብኡብኡ ብሓጐስ ይቕበልዎ። 17ንሽዑ እዮም እምበር፡ ሱር የብሎምን፡ ደሓር ስለቲ ቓል መከራ ወይስ ስደት ምስ ኰነ፡ ቀልጢፎም ይዕንቀፉ። 18እቶም ኣብ እሾዅ እተዘርኡ ድማ እዚኣቶም እዮም፡ ነቲ ቓል ዝሰምዕዎ፡ 19ሓልዮት እዛ ዓለም እዚኣን ምዕሻው ሃብትን ካልእ ትምኒትን ኣትዩ ኸኣ፡ ነቲ ቓል ይሓንቆ፡ ፍረ ዘይብሉ ድማ ይኸውን። 20እቶም ኣብ ጽቡቕ ምድሪ እተዘርኡ ኸኣ እዚኣቶም እዮም፡ ነቲ ቓል ዝሰምዕዎ ዝቕበልዎን ፍረ ኸኣ ዝፈርዩ፡ ገሊኡ ሰላሳ፡ ገሊኡ ስሳ ገሊኡውን ሚእቲ።
21በሎም ድማ፡ መብራህቲዶ ኣብ ትሕቲ ኸፈር ወይስ ኣብ ትሕቲ ዓራት ከንብርዎ የምጽኡ፧ ኣብ ቀዋሚ ቐንዴል ከንብርዎ ደይኰነን፧ 22ዘይገሃድ ሕቡእ የልቦን፡ ናብ ብርሃን ዘይመጽእ ስዉር ድማ የልቦን። 23ንምስማዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ። 24ድማ በሎም፡ ብትሰምዕዎ ተጠንቀቑ። በቲ እትሰፍሩሉ መስፈሪ ኽስፈረልኩም ክውሰኸልኩምውን እዩ። 25ንዘለዎ ይወሃቦ እዩ እሞ፡ ነቲ ዘይብሉ ግና እታ ዘላቶ እኳ የግድፍዎ ደኣ።
26በለውን፡ መንግስቲ ኣምላኽ ዘርኢ ኣብ ምድሪ ኸም ዝዘርእ ሰብኣይ እያ። 27ንሱ ለይትን ምዓልትን ይድቅስን ይትንስእን። እቲ ዘርኢ ድማ፡ ንሱ ኸይፈለጠ፡ ይበቍል ይዓቢውን። 28እታ ምድሪ ባዕላ ትፈሪ፡ ቅድም ጮማ ብቝሊ፡ ደሓር ሰዊት፡ ኣብቲ ሰዊት ድማ ብጹሕ ስርናይ። 29ምስ በጽሐ፡ ቀውዒ ኣትዩ እዩ እሞ፡ ማዕጺዱ ይሰድድ።
30በለ ድማ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ብምንታይ ክንምስላ፧ ወይስ እንታይ ምስላኡ ኽንገብረላ ኢና፧ 31ኣብ ምድሪ ኸም እተዘርአት እሞ ካብ ኵሉ ዘርኢ እትንእስ ፍረ ኣድሪ እያ። 32ምስ ተዘርአት ከኣ፡ ትበቍል፡ ካብ ኵሉ ኣሕምልቲውን ትዓቢ። ኣዕዋፍ ሰማይ ኣብ ጽላላ ምስራሕ እንዳአን ክሳዕ ዝኽእላ ኸኣ፡ ዓበይቲ ጨነፍር ትገብር።
33ምስማዑ ብዝከኣሎም መጠን፡ በዚ ኸምዚ ዝበለ ምስላታት ብዙሕ ነገር ተዛረቦም። 34ብዘይ ምስላ ኸኣ ኣይተዛረቦምን። ንደቀ መዛሙርቱ ግና ኣብ በይኖም ኵሉ ይገልጸሎም ነበረ።
35በታ መዓልቲ እቲኣ ምድሪ ምስ መሰየ፡ ናብ ማዕዶ ንሳገር፡ በሎም። 36ነቶም ህዝቢ ኣፋንዮም ድማ፡ ንእኡ ኸምታ ዘለዋ ምሳታቶም ብጃልባ ወሰድዎ። ካልኦት ጃላቡ ኸኣ ምስኡ ነበራ። 37ህቦብላ ብርቱዕ ንፋስን ድማ ዀነ፡ እታ ጃልባ ኽሳዕ እትመልእ፡ ማዕበል ናብታ ጃልባ ኣተወ። 38ንሱ ኸኣ ብወገን ድሕሪት እታ ጃልባ ተተርኢሱ ደቂሱ ነበረ። ኣተንሲኦም ድማ፡ መምህር፡ ክንጠፍእዶ ግድና የብልካን፧ በልዎ። 39ተንሲኡ ንንፋስ ገንሖ፡ ንባሕሪ ድማ፡ ስቕ በሊ፡ ህድኢ በላ። እቲ ንፋስ ዝግ በለ፡ ዓብዪ ህድኣትውን ኰነ። 40ንሱ ኸኣ፡ ስለምንታይ እዩ ኸምዚ ዝፈራህኩም፧ ከመይ፡ እምነትዶ የብልኩምን ፥ በሎም። 41ኣዝዮም ፈርሁ ንሓድሕዶምውን፡ እዚ ንፋስን ባሕርን ዝእዘዙሉስ መን ኰን እዩ፧ ተባሃሃሉ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ወን.ማርቆስ ምዕራፍ 5
1ናብ ማዕዶ ባሕሪ፡ ናብ ሃገር ጌርጌሴኖን መጹ። 2ካብ ጃልባ ምስ ወጸ፡ ብኡብኡ ርኹስ መንፈስ ዝሓደሮ ሰብኣይ ካብ መቓብር ወጺኡ ተጓነፎ። 3ንሱ ኣብ መቓብር ይነብር ነበረ፡ ብመቝሕ እኳ ኸጽንዖ ዝኽኣለ ኣይነበረን። 4ብመቝሕን ብሰንሰለትን ብዙሕ ሳዕ ይእሰር ነበረ፡ ንመቑሕ ይሰብሮ፡ ንሰንሰለትውን ይበትኮ ነበረ እሞ፡ ከሕምቖ ዝኸኣለ ከቶ ኣይነበረን። 5ኩሉ ሳዕ ድማ ለይትን መዓልትን ኣብ መቓብርን ኣብ ኣኽራንን ኰይኑ የእዊ፡ ስጋኡ ኸኣ ብጽልጽለ ይበጥሕ ነበረ። 6ንየሱስ፡ ርሑቕ ከሎ፡ ምስ ረኣዮ፡ ጐይዩ ሰገደሉ እሞ፡ 7ዎ የሱስ ወዲ ልዑል ኣምላኽ፡ ምሳኻ እንታይ ኣሎኒ፧ ከይተሳቕየኒ ብኣምላኽ አምሕለካ ኣለኹ፡ እናበለ ብዓብዪ ድምጺ ጨደረ። 8የሱስ፡ ኣታ ርኹስ መንፈስ፡ ካብዚ ሰብኣይዚ ውጻእ፡ ስለ ዝበሎ እዩ። 9ስምካኸ እንታይ እዩ፧ ኢሉ ሓተቶ። ንሱ ኸኣ፡ ብዙሓት ኢና እሞ፡ ስመይ ለጌዎን እዩ፡ በሎ። 10ካብታ ሃገር ከየውጽኦም፡ ብዙሕ ለመኖ። 11ኣብኡ ብርቱዕ መጓሰ ሓሰማታት ኣብ ጸግዒ ኸረን ይበልዕ ነበረ። 12ንሳቶም ከኣ፡ ናብተን ሓሰማታት ስደደና እሞ ናብአን ክንኣቱ፡ ኢሎም ለመንዎ። 13የሱስ ከኣ ብኡብኡ ፈቐደሎም። እቶም ርኹሳት መናፍስቲ ወጺኦም ናብተን ሓሰማታት ኣተዉ። እቲ መጓሰ ኸኣ ካብቲ ጸድፊ ናብ ባሕሪ ጸደፈ። ኣስታት ክልተ ሽሕ ነበራ። ኣብ ባሕሪ ጥሒለን ሞታ። 14እቶም ጓሶት ድማ ሃደሙ፡ ኣብ ከተማን ኣብ ዓድታትን ከኣ ኣውረዩ። እቶም ሰብ ከኣ እቲ ዝዀነ ኽርእዩ ወጹ። 15ናብ የሱስ መጹ፡ እቲ ርኹሳት መናፍስቲ ሒዞምዎ ዝነበሩ፡ ለጌዎን ዝነበርዎ፡ ተቐሚጡ፡ ተኸዲኑ፡ ናብ ልቡ ተመሊሱ ረኣይዎ እሞ ፈርሁ። 16እቶም ዝረኣዩ ድማ እቲ ርኹስ መንፈስ ዝነበሮ ኸመይ ከም ዝዀነን ብናይተን ሓሰማታትን ነገርዎም። 17ካብ ወሰን ምድሮም ከግልሰሎም ከኣ ክልምንዎ ጀመሩ። 18ኣብ ጃልባ ኽኣቱ ኸሎ፡ እቲ ርኹስ መንፈስ ዝነበሮ ምስኡ ክኸውን ለመኖ። 19የሱስ ግና፡ ናብ ቤትካ ኣብ ሰብካ ኺድ፡ እግዚኣብሄር ከመይ ዝበለ ዓብዪ ግብሪ ኸም ዝገበረልካን ከም ዝመሓረካን ንገሮም፡ በሎ እምበር፡ ኣይፈቐደሉን። 20ከይዱ ኸኣ፡ የሱስ ከመይ ዝበለ ዓብዪ ግብሪ ኸም ዝገበረሉ፡ ኣብ ዓሰርተ ኸተማ ኽሰብኽ ጀመረ፡ ኵሎምውን ተደነቑ። 21ከም ብሓድሽ ድማ የሱስ ብጃልባ ናብ ማዕዶ ምስ ተሳገረ፡ ብዙሕ ህዝቢ ናብኡ ተኣከበ። ኣብ ጥቓ ባሕሪ ኸኣ ነበረ። 22ካብ መራሕቲ ቤት ጸሎት ሓደ፡ ያኢሮስ ዝስሙ መጸ። ምስ ረኣዮ ኸኣ፡ ኣብ እግሩ ወዲቑ፡ 23ጓለይ ክትመውት ኢላ ኣላ እሞ፡ ምእንቲ ኽትፍወስን ክትሓውንሲ፡ መጺእካ ኢድካ ኣንብረላ፡ ኢሉ ኣጽኒዑ ለመኖ። 24ምስኡ ድማ ኸደ፡ ብዙሓት ህዝቢ ኸኣ ሰዓብዎ፡ ይደፍእዎውን ነበሩ። 25ካብ ዓሰርተው ክልተ ዓመት ሒዙ ደም ዛሕዛሕ ዝብላ ሰበይቲ ነበረት። 26ንሳ ብብዙሓት ሓኪማት ብዙሕ ተሰቀየት፡ ኩሉ ገንዘባውን ወድአት፡ ግናኸ ገደዳ እምበር፡ ኣይጠቐማን። 27-28ብዛዕባ የሱስ ምስ ሰምዐት፡ ክዳኑ ጥራይ እንተ ተንከኹ፡ ክሓዊ እየ፡ ኢላ ኣላ እሞ፡ ብማእከል እቶም ህዝቢ ብድሕሪኡ መጺኣ ኽዳኑ ተንከየት። 29ብኡብኡ ዓይኒ ደማ ነቐጸ፡ ካብ ሕማማ ከም ዝሓወየት ከኣ ብነፍሳ ተፈለጣ። 30ሽዑ የሱስ፡ ካብኡ ሓይሊ ኸም ዝወጸ ብውሽጡ ተፈሊጥዎ፡ ናብቶም ህዝቢ ግልጽ ኢሉ፡ መን እዩ ኽዳነይ ዝተንከየ፧ በለ። 31ደቀ መዛሙርቱ ድማ፡ ህዝቢ ኽደፍኣካ ትርኢ ኣሎኻ፡ ንስኻ ግና፡ መን ተንከየኒ፧ ትብል፡ በልዎ። 32ነታ እዚ ዝገበረት ክርኢ ድማ ግልጽ ግልጽ በለ። 33እታ ሰበይቲ ኸኣ እቲ ኣብኣ ዝዀነ ነገር ፈሊጣ ነበረት እሞ ፈሪሃ፡ ራዕራዕ እናበለት መጺኣ ሰገደትሉ ኹሉ እቲ ሓቂውን ነገረቶ። 34ንሱ ኸኣ፡ ጓለየ፡ እምነትኪ ኣድሓነትኪ። ብሰላም ኪዲ፡ ካብ ሕማምኪውን ጥዓዪ፡ በላ። 35ገና እዚ ኽዛረብ ከሎ፡ ካብ ገዛ መራሕ ቤት ጸሎት፡ ጓልካ ሞይታ፡ ደጊምከ ስለምንታይ ንመምህር ተድክሞ ኣሎኻ፧ ዝብልዎ መጹ። 36የሱስ ከኣ እዚ ዘረባ እዚ ኽዛረቡ ምስ ሰምዐ፡ ነቲ መራሕ ቤት ጸሎት፡ ኣይትፍራህ፡ እመን ደኣ፡ በሎ። 37ብዘይ ጴጥሮስን ያእቆብን ዮሃንስ ሓዉ ያእቆብን፡ ሓደ እኳ ኽስዕቦ ኣይፈቐደን። 38ናብ ገዛ እቲ መራሕ ቤት ጸሎት ከኣ ኣተዉ፡ ጫውጫው ዝብሉን ዝበኽዩን ብዙሕ ዋይዋይ ዝብሉን ረኣየ። 39ኣትዩ፡ እዛ ቘልዓ ደቂሳ ኣላ እምበር፡ ኣይሞተትን፡ ስለምንታይከ ጫውጫው ትብሉን ትበኽዮን ኣሎኹም፧ በሎም። 40ሰሓቕዎ ድማ። ንሱ ግና ንኹሎም ኣውጺኡ፡ ኣቦ እታ ቘልዓን ኣዲኣን እቶም ምስኡ ዘለውን ሒዙ፡ ናብቲ እታ ቖልዓ ዘላቶ ኣተወ። 41ኢድ እታ ቘልዓ ሒዙ ኸኣ፡ ጣሊታ ቁሚ፡ በላ። ትርጓሚኡ፡ ኣቲ ጓል፡ ተንስኢ፡ እብለኪ ኣሎኹ፡ እዩ። 42እታ ጓል ድማ ብኡብኡ ተንስአት፡ ዓሰርተው ክልተ ዓመት ገይራ ነበረት እሞ፡ ተዛወረት። ሽዑ ዓብዪ ምግራም ተገረሙ። 43ነዚ ሓደ እኳ ኸይፈልጦ፡ ኣሕሚሙ ኣዘዞም፡ ዝብላዕ ክህብዋ ኸኣ ነገሮም።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ወን.ማርቆስ ምዕራፍ 6
1ካብኡ ወጺኡ ናብ ዓዱ መጸ፡ ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ ሰዓብዎ። 2ብሰንበት ድማ ኣብ ቤት ጸሎት ክምህር ጀመረ። ብዙሓት ንእኡ ሰሚዖም፡ ነዚ ነገርዚ ኻበይ ረኸቦ፧ ከምዚ ዝበለ ሓይልታት ብኢዱ ዝግበርከ፡ እንታይ ጥበብ ተዋህበቶ፧ 3እዝስ እቲ ጸራቢ ወዲ ማርያም፡ ሓው ያእቆብን ዮሴፍን ይሁዳን ስምኦንን ደይኰነን፧ ኣሓቱስ ኣብዚዶ ምሳና ኣየለዋን፧ እናበሉ ተገረሙ፡ ብእኡ ኸኣ ተዓንቀፉ። 4የሱስ ድማ፡ ነብዪ ብዘይ ኣብ ዓዱን ኣብ ኣዝማዱን ኣብ ቤቱን ኣይነዓቕን እዩ፡ በሎም። 5ኣብኡ ኸኣ፡ ብዘይ ንሒደት ሕሙማት ኢዱ ኣንቢሩ ዘሕወዮም እምበር፡ ሓይሊ ኽገብር ኣይኰነሉን። 6በቲ ዘይምእማኖም ድማ ገረሞ። እናመሃረ ኸኣ ኣብቲ ኣብ ከባቢ ዘሎ ዓድታት ዞረ። 7ነቶም ዓሰርተው ክልተ ድማ ጸውዖም በብኽልተውን ክልእኮም ጀመረ። ኣብ ርኹሳት መናፍስቲ ኸኣ ስልጣን ሃቦም። 8ንመገዲ ድማ በትሪ ጥራይ እምበር፡ ለቘታ ዀነ፡ እንጌራ ዀነ፡ ገለ ገንዘብ እኳ ኣብ ቅናውቶም ከይማልኡ ኣዘዞም። 9ግናኸ ኣሳእንኩም ኣእትዉ፡ ክልተ ቐምሽ ኣይትከደኑ፡ በሎም። 10ኣብታ ዝኣቶኹምዋ ቤት፡ ካብኣ ክሳዕ እትወጹ፡ ኣብኣ ተቐመጡ። 11ኣብታ ዘይተቐበሉኹም ወይስ ዘይሰምዑኹም ስፍራ፡ ካብኣ ወጺእኩም፡ ንኣታቶም ንምስክር ተጐጓ ኣእጋርኩም ንገፉ። ብመዓልቲ ፍርዲ ኻብ ነታ ዓዲ እቲኣስ ንሶዶምን ንጎሞራን ከም ዝቐልል፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ በሎም። 12ንሳቶም ድማ ወጺኦም፡ ሰብ ክንሳሕ ሰበኹ። 13ብዙሓት ኣጋንንቲ ኣውጽኡ ንብዙሓት ሕሙማትውን ዘይቲ ለለኽዮም ኣሕወይዎም። 14ንጉስ ሄሮድስ ድማ እዚ ሰምዐ፡ ስሙ ተጋሂዱ ነበረ እሞ፡ ዮሃንስ መጥምቕ ካብ ምዉታት ተንሲኡ እዩ፡ ስለዚ ኸምዚ ዝበለ ሓይሊ ብእኡ ይግበር ኣሎ፡ በለ። 15ካልኦት ግና፡ ኤልያስ እዩ፡ በሉ። ካልኦት ከኣ፡ ነብዪ ኸም ሓደ ኻብ ነብያት እዩ፡ በሉ። 16ሄሮዶስ ግና እዚ ምስ ሰምዐ፡ እዚ እቲ ኣነ ርእሱ ዘሰየፍክዎ ዮሃንስ እዩ፡ ንሱ ኻብ ምዉታት ተንሲኡ፡ በለ። 17-18ዮሃንስ ንሄሮዶስ፡ ሰበይቲ ሓዉካ ንኣኻ ኽትከውን ኣይግብኣካን፡ ኢልዎ ነበረ። ሄሮዶስ ንሄሮድያዳ ሰበይቲ ፊልጶስ ሓዉ ኣእትይዋ ነበረ እሞ፡ ብሰራ ልኢኹ ንዮሃንስ ሒዙ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣሲርዎ ነበረ። 19-20ሄሮዶስ ንዮሃንስ ጻድቕ፡ ቅዱስ ሰብኣይ ምዃኑ ፈሊጡ ይፈርሆ ነበረ እሞ፡ ይሕልዎ ኸኣ ነበረ። ምስ ሰምዖ ድማ፡ ይጭነቕ ብሓጐስውን ይሰምዖ ነበረ። ሄሮድያዳ ኸኣ ተቐየመቶ፡ ክትቀትሎውን ደለየት፡ ግናኸ ኣይተኻእላን። 21ምሽእቲ መዓልቲ ምስ ኰነ፡ ሄሮዶስ እተወልደላ መዓልቲ፡ ሽዑ ንዓበይቱን ንሸለቃታትን ንሹማምቲ ገሊላን ምሳሕ ገበረ። 22ጓል ሄሮድያዳ ድማ ኣትያ ሳዕስዐት፡ ንሄሮድስን ምስኡ ንተቐመጡን ከኣ ኣሐጐሰቶም። እቲ ንጉስ ነታ ጓል፡ ዝደሌኽዮ ለምንኒ እሞ ኽህበኪ፡ በላ። 23ክሳዕ ፍርቂ መንግስተይ እንተ ዀነ እኳ፡ ዝለመንክኒ ኽህበኪ እየ፡ ኢሉ መሓለላ። 24ወጺኣ ድማ ነዲኣ፡ እንታይ ክልምኖ፧ በለታ ንሳ ኸኣ፡ ርእሲ ዮሃንስ መጥምቕ፡ በለታ። 25ብኡብኡ ቐልጢፋ ናብ ንጉስ ኣትያ፡ ርእሲ ዮሃንስ መጥምቕ ሕጂ ሕጂ ኣብ ሒላብ ጌርካ ኽትህበኒ እደሊ ኣሎኹ፡ ኢላ ለመነቶ። 26እቲ ንጉስ ኣዝዩ ሓዘነ፡ ስለቲ ማሕላኡን ስለቶም መቓምጡን ግና ክኸልኣ ኣይፈተወን። 27ብኡብኡ ድማ እቲ ንጉስ ንሓደ ዓቀይታይ፡ ርእሱ ኸምጽእ ኣዚዙ፡ ለኣኾ። ንሱ ኸኣ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኸይዱ ርእሱ ሰየፈ። 28ብሒላብ ኣምጺኡ ድማ፡ ነታ ጓል ሃባ፡ እታ ጓልውን ነዲእ ሃበታ። 29ደቀ መዛሙርቱ ድማ ሰሚዖም መጹ፡ ነቲ ሬሳኡ ኣልዒሎም ናብ መቓብር ኣእተውዎ። 30እቶም ሃዋርያት ድማ ናብ የሱስ ተኣከቡ፡ ዝገበርዎን ዝመሃርዎን ከኣ ኣዛረብዎ። 31ንምብላዕ እኳ ግዜ ኽሳዕ ዝስእኑ፡ ዝመጹን ዝኸዱን ብዙሓት ነበሩ እሞ፡ ኣብ ጽምዊ ቦታ ብሕት ኢልኩም፡ ሓንሳእ ክትዓርፉ ንዑናይ፡ በሎም። 32በይኖም ብጃልባ ናብ ጽምዊ ቦታ ኸዱ። 33ክኸዱ ኸለዉ ኸኣ፡ ረኣይዎም፡ ብዙሓትውን ኣለለይዎም። ካብ ኵለን ከተማታት ድማ ብእግሪ ናብኡ ጐየዩ። ቀዲሞምዎም ድማ መጹ፡ ናብኡውን ተኣከቡ። 34የሱስ ምስ ወጸ፡ ብዙሕ ህዝቢ ረኣየ። ሓላዊ ኸም ዘይብለን ኣባጊዕ ነበሩ እሞ፡ ደንገጸሎም፡ ብዙሕውን ክምህሮም ጀመረ። 35እቲ ግዜ ኣዝዩ ምስ ሓለፈ፡ ደቀ መዛሙርቱ ቐሪቦም፡ እዛ ቦታ እዚኣ በረኻ እያ፡ ምድሪ ኸኣ መስዩ እዩ። 36ዝብላዕ የብሎምን እሞ፡ ኣብ ጥቓና ናብ ዘሎ ኣቝሻትን ዓድታትን ከይዶም፡ ንኣታቶም ዝበልዕዎ ኽዕድጉ ኣሳናብቶም፡ በልዎ። 37ንሱ ግና መሊሱ፡ ክበልዑ ንስኻትኩም ሃብዎም፡ በሎም። ንሳቶም ከኣ፡ ኬድናዶ ብኽልተ ሚእቲ ዲናር እንጌራ ኽንዕድግ እሞ ክበልዑ ኽንህቦም፧ በልዎ። 38ንሱ ድማ፡ ክንደይ እንጌራ ኸም ዘሎኩም ኪዱ ርኣዩ፡ በሎም። ምስ ፈለጡ፡ ሓሙሽተን ክልተ ዓሳን፡ በልዎ። 39ንዅሎም በብመኣዲ እናሰርዑ ኣብ ለምለም ሳዕሪ ከቐምጥዎምውን ኣዘዞም። 40ከከም መስርዖም በብሚእቲን በብሓምሳን ተቐመጡ። 41ነቲ ሓሙሽተ እንጌራን ክልተ ዓሳን ኣልዒሉ፡ ናብ ሰማይ ገጹ ቝሊሕ ኢሉ ባረኸ። ነተን እንጌራ ቘሪሱ ክቕርቡሎም ንደቀ መዛሙርቱ ሃቦም። እቲ ኽልተ ዓሳውን ንዅሎም መቐሎም። 42ኵሎም ድማ በሊዖም ጸገቡ። 43እቲ ቘረርስውን ዓሰርተው ክልተ መሶብ ምሉእ ኣልዓሉ፡ ካብቲ ዓሳ ድማ። 44እቶም እንጌራ ዝበልዑ ኸኣ ሓሙሽተ ሽሕ ሰብኣይ እዮም። 45ብኡብኡ ድማ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ነቶም ህዝቢ ኽሳዕ ዘሳናብት፡ ናብ ጃልባ ኣትዮም ንማዕዶ ናብ ቤተሳይዳ ክቕድምዎ ብግዲ በሎም። 46ምስ ኣሳናበቶም፡ ክጽሊ ናብ ከረን ደየበ። 47ምድሪ ምስ መሰየ፡ እታ ጃልባ ኣብ ማእከል ባሕሪ ነበረት፡ ንሱ ድማ በይኑ ኣብ ምድሪ ነበረ። 48ንፋስ ብቕድሚኦም ነበረ እሞ፡ ክኸዱ ኸለዉ ብማዕበል ክጭነቑ ረኣዮም። ብራብዓይ ምቃል ለይቲ ኣቢሉ ባሕሪ ባሕሪ እናኸደ፡ ናባታቶም መጸ ኽሓልፎምውን ደለየ። 49ንሳቶም ግና ባሕሪ ባሕሪ ክኸይድ ከሎ ምስ ረኣይዎ፡ ምትሃት መሲልዎም ጨርሑ። 50ኵሎም ረኣይዎ እሞ ሰምበዱ። ብኡብኡ ኸኣ፡ ኣጆኹም፡ ኣነ እየ፡ ኣይትፍርሁ፡ ኢሉ ተዛረቦም። 51ናባታቶም ከኣ ናብ ጃልባ ኣተወ። እቲ ንፋስ ድማ ሃድአ። ንሳቶምውን ብዙሕ ተገረሙ። 52ልቦም ተደፊኑ ነበረ እሞ፡ እቲ ናይ እንጌራ ነገር ኣየስተውዐልዎን። 53ምስ ተሳገሩ፡ ናብ ምድሪ ጌንሳሬጥ መጺኦም፡ ነታ ጃልባ ኣቘምዋ። 54ካብ ጃልባ ምስ ወጹ፡ ብኡብኡ ኣለለይዎ። 55ኣብ ኵላ እታ ሃገር ጐየዩ፡ ኣበይ ምህላዉ ምስ ሰምዑ ኸኣ፡ ዱኑሳት ብዓራታት ገይሮም ናብኡ ኽጸርዎም ጀመሩ። 56ኣብ ዝኣተዎ ዘበለ ድማ፡ ኣብ ዓድታት ኰነ፡ ወይ ኣብ ከተማታት፡ ወይ ኣብ ኣቝሻት፡ ነቶም ሕሙማት ኣብ ዕዳጋታት በጥ ኣበልዎም፡ ዘፈር ክዳኑ ክትንክዩ ድማ ለመንዎ። ዝተንከዮ ዘበለ ኹሉውን ሓወየ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ወን.ማርቆስ ምዕራፍ 7
1ሽዑ ፈሪሳውያንን ሓያሎ ኻብ የሩሳሌም ዝመጹ ጻሓፍትን ናብኡ ተኣከቡ። 2ንሓያሎ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ ድማ ብዝረኸሳ፡ ማለት ብዘይተሓጽባ ኣእዳው እንጌራ ኽበልዑ ኸለዉ ረኣይዎም።— 3ፈሪሳውያንን ኩሎም ኣይሁድን ስርዓት ዓበይቲ ምእንቲ ኽሕልዉ፡ ኣእዳዎም ኣጸቢቖም ከይተሓጽቡ ከቶ ኣይበልዑን ነበሩ እሞ፡ 4ካብ ዕዳጋ ምስ መጹውን፡ ከይተሓጽቡ ኣይበልዑን ነበሩ። ካልእ ብዙሕ ድማ፡ ከም ምሕጻብ ጣሳን ዕትሮን ድስትን ዓራትን ዝመስል፡ ክሕልውዎ ኢሎም እተቐበልዎ ነበሮም።— 5ጸሓፍትን ፈሪሳውያን ድማ፡ ስለምንታይ ደቀ መዛሙርትኻ ኸም ስርዓት ዓበይቲ ዘይከዱ፡ ኢሎም ሓተትዎ። 6-7ንሱ ኸኣ በሎም፡ ኣቱም ግቡዛት፡ ከምቲ ጽሑፍ፡ እዚ ህዝቢ እዚ ብኸናፍሩ የኽብረኒ፡ ልቦም ግና ካባይ ርሑቕ እዩ። ግናኸ ምህሮ ስርዓት ሰብ እናመሃሩ፡ ብከንቱ እዮም ዘምልኹኒ ዝብል፡ ኢሳይያስ ብዛዕባኹም ጽቡቕ ተነበየ። 8ትእዛዝ ኣምላኽ ሓዲግኩም፡ ስርዓት ሰብ ትሕልዉ ኣሎኹም፡ ከም ምሕጻብ ጣሳን ዕትሮን፡ ብዙሕ ካልእ ድማ ነዚ ዝመስልን ትገብሩ ኣሎኹም። 9ስርዓትኩም ምእንቲ ኽትሕልዉ፡ ትእዛዝ ኣምላኽ ምፍራስኩምሲ ጽቡቕ ደኣ። 10ሙሴ፡ ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር፡ ነቦኡ ወይስ ነዲኡ ሕሱም ቃል ዘውስእ፡ ሞት ይሙት፡ ኢሉ ኣሎ። 11ንስኻትኩም ግና፡ ሰብ ነቦኡ ወይ ነዲኡ፡ እቲ ኻባይ እትጥቀመሉ ቝርባን ገይረዮ እየ፡ ማለት መባእ እዩ፡ እንተ በሎ፡ 12ደጊም ነቦኡ ወይስ ነዲኡ ሓደ ነገር ክገብረሎም ከቶ ኣይትፈቕዱሉን ኢኹም። 13ምእንቲ እቲ ዝሰራዕኩምዎ ስርዓትሲ ቓል ኣምላኽ ትስዕሩ፡ ነዚ ዝመስልውን ብዙሕ ትገብሩ ኣሎኹም። 14ነቶም ህዝቢ ኸም ብሓድሽ ጸዊዑ፡ ኩልኹም ስምዑንን ኣስተውዕሉን። 15ካብ ሰብ ዝወጽእ እዩ ንሰብ ዘርክሶ እምበር፡ ካብ ወጻኢ ናብ ሰብ ዝኣቱስ ገለ እኳ ኸርክሶ ኣይክእልን እዩ። 16እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ፡ በሎም። 17ካብቶም ህዝቢ ተፈልዩ ናብ ቤት ምስ ኣተወ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ብዛዕባ እዚ ምስላዚ ሓተትዎ። 18በሎም ከኣ፡ ንስኻትኩምዶ ድማ ክሳዕ ክንዲዚ ደናቝርቲ ኢኹም፧ ካብ ወጻኢ ናብ ሰብ ዝኣቱ ዅሉ ኸርክሶ ኸም ዘይክእልዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ 19ናብ ከብዲ እምበር፡ ናብ ልቢ ኣይወርድን እዩ እሞ፡ ንዅሉ መባልዕ እናጽረየ ድማ እዩ ንግዳም ዝወጽእ። 20በለ ድማ፡ እቲ ኻብ ሰብ ዝወጽእ ደኣ እዩ ንሰብ ዘርክሶ። 21ካብቲ ውሽጢ ልቢ ሰብ ክፉእ ሓሳብ ይወጽእ እዩ እሞ፡ ምንዝር፡ ስርቂ፡ ቅትለት፡ 22ዝሙት፡ ስስዐ፡ ክፍኣት፡ ጕርሒ፡ ቅለት፡ ቅንኣት፡ ጸርፊ፡ ኵርዓት፡ ዕሽነት። 23እዚ ዅሉ ኽፉእ ካብ ውሽጢ እዩ ዝወጽእ፡ ንሰብ ከኣ የርክሶ። 24ካብኡ ነቒሉ ኸኣ ናብ ወሰን ምድሪ ጢሮስን ሲዶናን ከደ። ናብ ቤት ምስ ኣተወ፡ ሓደ እኳ ኽፈልጦ ኣይፈተወን፡ ክሕባእ ከኣ ኣይኰነሉን። 25ሓንቲ ሰበይቲ፡ ጓላ ብርኹስ መንፈስ እተታሕዘታ፡ ወሪኡ ሰሚዓ መጸት፡ ኣብ እግሩውን ተደፍአት። 26እታ ሰበይቲ ጽርኣዊት ነበረት፡ ወለዶኣ ሶርያ ፍንቄ እዩ። ካብ ጓላ ጋኔን ከውጽኣላ ኸኣ ለመነቶ። 27የሱስ ድማ፡ እንጌራ ውሉድ ኣልዒልካ ነኽላባት ምሃብ ጽቡቕ ኣይኰነን እሞ፡ ሕደጊ፡ ቅድም እቶም ውሉድ ይጽገቡ፡ በላ። 28ንሳ ኸኣ፡ እወ ጐይታይ፡ ኣኽላባት ድማ ርፍራፍ ውሉድ ካብ ትሕቲ መኣዲ ይበልዑ እዮም፡ ኢላ መለሰትሉ። 29ንሱ ድማ ስለ እዚ ቓልዚ ኺዲ እቲ ጋኔን ካብ ጓልኪ ወጺኡ፡ በላ። 30ናብ ቤታ ምስ ተመልሰት፡ እታ ቘልዓ ኣብ ዓራት በጥ ኢላ፡ እቲ ጋኔን ከኣ ወጺኡላ ረኸበታ። 31ከም ብሓድሽ ድማ ካብ ወሰን ምድሪ ጢሮስ ወጸ፡ ብሲዶና ገይሩ ኸኣ፡ ንማእከል ዓሰርተ ዓዲ ናብ ባሕሪ ገሊላ ኸደ። 32ሓደ ጸማምን ዓባስን ናብኡ ኣምጺኦም፡ ኢዱ ኸንብረሉ ለመንዎ። 33ካብቶም ህዝቢ ንበይኑ ወሲዱ ድማ፡ ኣጻብዑ ኣብ ኣእዛኑ ኣንቢሩ፡ ጡፍ ኢሉ ልሳኑ ተንከዮ። 34ናብ ሰማይ ቁሊሕ ኢሉ ኣተንፊሱ ኸኣ፡ ኤፋታ፡ በሎ። እዚ፡ ተኸፈት፡ ማለት እዩ። 35ሽዑ ኣእዛኑ ተኸፍታ፡ ማእሰርቲ ልሳኑ ድማ ተፈትሐ፡ ኣቕኒዑውን ተዛረበ። 36ንሓደ እኳ ኸይነግሩ፡ ኣምሪሩ ኣዘዞም። ንሳቶም ግና ብመጠን እቲ ዝኸልከሎም ኣዝዮም ኣውረዩ። 37ንሳቶም ከኣ፡ ንሱ ንኹሉ ጽቡቕ ገበሮ፡ ጸማማት ከም ዝሰምዑ፡ ዓባሳት ከም ዝዛረቡ ገበረ፡ እናበሉ ብዘይ ልክዕ ተገረሙ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ወን.ማርቆስ ምዕራፍ 8
1በቲ ቕነ እቲ ኸም ብሓድሽ ብዙሕ ህዝቢ ምስ ተኣከበ፡ ዝብላዕ ኣይነበሮምን እሞ፡ ነቶም ደቀ መዛሙርቱ ጸዊዑ፡ 2እዞም ህዝቢ እዚኦም ሰለስተ መዓልቲ ምሳይ ገይሮም እዮም፡ ዝብላዕ ከኣ የብሎምን እሞ፡ የደንግጹኒ ኣለዉ። 3ሓያሎ ኻባታቶም ካብ ርሑቕ ዝመጹ እዮም፡ ጾሞም ነናብ ቤቶም እንተ ኣሳናበትክዎም፡ ኣብ መገዲ ኽሕለሉ እዮም፡ በሎም። 4ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ፡ ኣብዚ በረኻዚ ደኣ ነዞም ሰብ እዚኦም ዘጽግብ እንጌራ ኻበይ ይርከብ፧ ኢሎም መለስሉ። 5ንሱ ኸኣ፡ ክንደይ እንጌራኸ ኣሎኩም፧ ኢሉ ሓተቶም። ንሳቶም፡ ሾብዓተ፡ በልዎ። 6ነቶም ህዝቢ ኸኣ ኣብ ምድሪ ክቕመጡ ኣዘዞም። እተን ሾብዓተ እንጌራ ወሲዱ ኣመስጊኑ ቘረሰ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ኸኣ ክቕርብሎም ሃቦም። ነቶም ህዝቢ ድማ ቐረብሎም። 7ሒደት ዓሳ ኸኣ ነበሮም፡ ንእኡ ድማ ባሪኹ ሃቦም፡ ክቕርብሎምውን ኣዘዘ። 8በሊዖም ጸገቡ፡ ዝተረፈ ቘረርስ ከኣ ሾብዓተ መሶብ ኣልዓሉ። 9እቶም ዝበልዑ ኣስታት ኣርባዕተ ሽሕ እዮም። ሽዑ ኸኣ ኣሳናበቶም። 10ድሕርዚ ብኡብኡ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ናብ ጃልባ ኣትዩ ናብ ሃገር ደልማኑታ መጸ። 11ፈሪሳውያን ከኣ ወጹ፡ እናፈተንዎ ኻብ ሰማይ ትእምርቲ ኻብኡ ደልዮም ክካራኸርዎ ጀመሩ። 12ንሱ ድማ ብመንፈሱ ኣሕዘንዚኑ፡ እዚ ወለዶ እዚ ንምንታይ ትእምርቲ ይደሊ ኣሎ፧ ነዚ ወለዶ እዚ ትእምርቲ ኸም ዘይውሃቦ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ በለ። 13ሓዲግዎም ከም ብሓድሽ ናብ ጃልባ ኣተወ ናብ ማዕዶውን ተሳገረ። 14ምምላእ እንጌራ ኸኣ ረስዑ። ምሳታቶም ኣብ ጃልባ ብጀካ ሓንቲ እንጌራ ኣይነበሮምን። 15ንሱ ድማ፡ ካብ ማይ ብሑቕ ፈሪሳውያንን ካብ ማይ ብሑቕ ሄሮድስን ተጠንቀቑን ተኣርነቡን፡ ኢሉ ኣዘዞም። 16ንሓድሕዶም ድማ፡ እንጌራ ስለ ዘይብልና እዩ፡ ኢሎም ሓሰቡ። 17የሱስ ድማ ፈሊጡ በሎም፡ ንምንታይ እንጌራ ስለ ዘይምህላውኩም ትሓስቡ፧ ገናዶ ኣይትፈልጡን ወይስ ኣይተስተውዕሉን ኢኹም፧ ልብኹምዶ ድፉን እዩ፧ 18ኣዒንቲ ኸለዋኹምሲ ኣይትርእዩንዶ፧ ኣእዛን ከለዋኹምከ ኣይትሰምዑንዶ፧ ኣይትዝክሩንዶኸ ኢኹም፧ 19እቲ ሓሙሽተ እንጌራን ንሓሙሽተ ሽሕ ምስ ቈረስኩኸ፡ ቈረርስ ዝመልአ ክንደይ መሶብ ኣልዓልኩም፧ ንሳቶም ከኣ፡ ዓሰረተው ክልተ፡ በልዎ። 20እቲ ሾብዓተ እንጌራ ነርባዕተ ሽሕ ምስ ቈረስኩኸ፡ ቈረርስ ዝመልአ ኽንደይ መሶብ ኣልዓልኩም፧ ንሳቶም ከኣ፡ ሾብዓተ፡ በልዎ። 21ንሱ ድማ፡ ገናዶ ኣይተስተውዕሉን ኢኹም፧ በሎም። 22ናብ ቤተሳይዳ ኸኣ መጸ። ዕዉር ናብኡ ኣምጺኦም፡ ክትንክዮ ለመንዎ። 23ነቲ ዕዉር ድማ ብኢዱ ሒዙ ናብ ወጻኢ እታ ዓዲ ወሰዶ። ኣብ ኣዒንቱ ጡፍ ኢሉ ኸኣ ኢዱ ኣንበረሉ እሞ፡ ገለዶ ትርኢ ኣሎኻ፧ ኢሉ ሓተቶ። 24ቋሕ ኢሉ ድማ፡ ሰባት እርኢ ኣሎኹ፡ ክመላለሱ ኸለዉ ኣእዋም መሲሎም እርእዮም ኣሎኹ፡ በለ። 25ከም ብሓድሽ ድማ ኢዱ ኣብ ኣዒንቱ ኣንበረሉ እሞ ኣጸቢቑ ጠመተ፡ ሓወየ ንኹሉውን ተቐሊዑ ረኣየ። 26የሱስ ከኣ፡ ናብ ዓዲ ኣይትእቶ፡ ኢሉ ናብ ቤቱ ሰደዶ። 27የሱስን ደቀ መዛሙርቱን ናብ ዓድታት ቂሳርያ ናይ ፊልጶስ ከዱ። ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ ኣብ መገዲ፡ ሰብ መን እዩ ይብሉኒ ኣለዉ፧ ኢሉ ሓተቶም። 28ንሳቶም ድማ፡ ገሊኦም ዮሃንስ መጥምቕ፡ ካልኦት ድማ ኤልያስ፡ ካልኦትውን ሓደ ኻብ ነብያት እዩ፡ ዝብሉ ኣለዉ፡ በልዎ። 29ንሱ ድማ፡ ንስኻትኩምከ መን እዩ ትብሉኒ ኣሎኹም፧ በሎም። ጴጥሮስ መሊሱ፡ ንስኻ ክርስቶስ ኢኻ፡ በሎ። 30ሽዑ ብዛዕባኡ ንሓደ እኳ ኸይዛረቡ፡ ኣሕሚሙ ኣዘዞም። 31ንወዲ ሰብ ብዙሕ ሓሳረ መከራ ኽጸግብ፡ ብዓበይቲ ህዝብን ብሊቃውንቲ ኻህናትን ክነዐቕን ክቕተልን ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲውን ክትንስእ ከም ዝግባእ፡ ክምህሮም ጀመረ። 32ነዚ ነገርዚ ድማ ኣግሂዱ ተዛረቦ። ጴጥሮስ ከኣ ፍልይ ኣቢሉ ኽገንሖ ጀመረ። 33ናብ ደቀ መዛሙርቱ ግልጽ ኢሉ ርእዩ፡ ንጴጥሮስ፡ ኣታ ሰይጣን፡ ናይ ሰብ እምበር፡ ናይ ኣምላኽ ኣይትሓስብን ኢኻ እሞ፡ ካባይ ርሓቕ፡ ኢሉ ገንሖ። 34ነቶም ህዝቢ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ጸዊዑ ድማ በሎም፡ ዝዀነ ይኹን ደድሕረይ ክስዕበኒ ዝደሊ እንተሎ፡ ገዛእ ርእሱ ይቕበጽ፡ መስቀሉ የልዕል እሞ ይስዓበኒ። 35ንህይወቱ ኸድሕና ዝደሊ ኸጥፍኣ እዩ። እቲ ንህይወቱ ምእንታይን ምእንቲ ወንጌልን ዘጥፍኣ ግና ከድሕና እዩ። 36ንሰብ፡ ብዘላ ዓለም ረቢሑ፡ ነፍሱ እንተ ኣጥፍአ፡ እንታይ ይጠቕሞ፧ 37ሰብከ በጃ ነፍሱ እንታይ ምሃበ፧ 38ስለዚ ኣብዚ ዘማውን ሓጥእን ወለዶ ብኣይን ብቓለይን ዝሓፈረ፡ ወዲ ሰብ ድማ፡ ብግርማ ኣቦኡ ምስ ቅዱሳን መላእኽቱ ምስ መጸ፡ ብእኡ ኽሓፍር እዩ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ወን.ማርቆስ ምዕራፍ 9
1ንሱ ድማ፡ ካብዞም ኣብዚ ደው ኢሎም ዘለዉ ንመንግስቲ ኣምላኽ ብሓይሊ ኽትመጽእ ከላ ኽሳዕ ዝርእይዋ ሞት ዘይጥዕሙ ሓያሎ ኸም ዘለዉ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ በሎም። 2ድሕሪ ሹድሽተ መዓልቲ ኸኣ የሱስ ንጴጥሮስን ያእቆብን ዮሃንስን ወሲዱ፡ ንበይኖም ናብ ነዊሕ ከረን ኣደየቦም፡ ኣብ ቅድሚኦምውን ተለወጠ። 3ክዳኑ ድማ በርሀ፡ ኣብ ምድሪ ሓጻቢ ኸምኡ ገይሩ ኸጻዕዱ ዘይኽእል፡ ኣዝዩ ጻዕደወ። 4ኤልያስን ሙሴን ድማ ተራእይዎም፡ ንሳቶም ምስ የሱስ ይዛራረቡ ነበሩ። 5ጴጥሮስ ከኣ ንየሱስ መሊሱ፡ መምህር፡ ኣብዚ ምንባር ንኣና ጽቡቕ እዩ። ሰለስተ ዳስ ክንሰርሕ፡ ሓደ ንኣኻ፡ ሓደ ንሙሴ ሓደ ኸኣ ንኤልያስ፡ በሎ። 6ሰምቢዶም ነበሩ እሞ፡ ነቲ ዝብሎ ኣይፈልጦን ነበረ። 7ደበና መጺኡ ኣጐልበቦም። ካብቲ ደበና ኸኣ፡ እዚ ዘፍቅሮ ወደይ እዩ፡ ንእኡ ስምዕዎ፡ ዝብል ድምጺ መጸ። 8ብኡብኡ ግልጽ ግልጽ ኢሎም እንተ ጠመቱ ኸኣ፡ ብዘይ የሱስ በይኑ፡ ምሳታቶም ሓደ እኳ ኣይረኣዩን። 9ካብ ከረን ክወርዱ ኸለዉ ድማ፡ ወዲ ሰብ ካብ ምዉታት ምስ ተንስአ እንተ ዘይኰይኑ፡ እቲ ዝረኣይዎ ንሓደ እኳ ኸይነግሩ ኣዘዞም። 10ነቲ ቓሉ ኸኣ ሓዝዎ፡ ንሓድሕዶምውን፡ ካብ ምዉታት ምትንሳእሲ እንታይ ኰን እዩ፧ ኢሎም ተማራመሩ። 11ንሳቶም ድማ፡ ከመይ ደኣ ጸሓፍቲ፡ ኤልያስ ቅድም ክመጽእ ይግባእ፡ ዝብሉ፡ ኢሎም ሓተትዎ። 12ንሱ ኸኣ፡ ቅድም ኤልያስ ይመጽእ፡ ንኹሉ ኸኣ የቕንዕ። ብዛዕባ ወዲ ሰብከ ኸመይ ተጽሒፉ ኣሎ፧ ብዙሕ ሓሳረ መከራ ኽጸግብን ክነዓቕን እዩ። 13ኣነ ግና፡ ኤልያስ መጸ፡ ከምቲ እተጻሕፈሉ ድማ፡ ዝደለዩ ዘበለ ገበርዎ፡ እብለኩም ኣሎኹ፡ ኢሉ መለሰሎም። 14ናብቶም ደቀ መዛሙርቲ ምስ መጸ፡ ብዙሕ ህዝቢ ኸቢብዎም፡ ጸሓፍቲውን ክካራኸርዎም ከለዉ ረኣየ። 15ሽዑ እቶም ህዝቢ ምስ ረኣይዎ፡ ሰምበዱ፡ ናብኡ ጐይዮም ከኣ ሰላም በልዎ። 16ንጸሓፍቲ ድማ፡ ብዛዕባ እንታይ ትካራኸርዎም ኣሎኹም፧ ኢሉ ሓተቶም። 17ሓደ ኻብቶም ህዝቢ ኸኣ፡ መምህር፡ ንወደይ ዘይዛረብ መንፈስ ሒዝዎስ ናባኻ ኣምጺአዮ ኣሎኹ፡ 18ኣብ ዝሓዞ ድማ የምበድብዶ፡ ንሱ ኸኣ ይዓፍር፡ ኣስናኑ ይሕርቅም ይነቅጽውን። ንደቀ መዛሙርትኻ ድማ ከውጽእዎ ነጊረዮምሲ፡ ንሳቶም ግና ኣይከኣሉን፡ ኢሉ መለሰሉ። 19ንሱውን፡ ኣታ ዘይእሙን ወለዶ፡ ክሳዕ መኣዝ ምሳኻትኩም ክነብር እየ፧ ክሳዕ መኣዝሲ ኽዕገሰኩም እየ፧ ናባይ ኣምጽእዎ፡ ኢሉ መለሰ። 20ናብኡ ድማ ኣምጽእዎ። ምስ ረኣዮ፡ ሽዑ እቲ መንፈስ ፈንጠርጠር ኣበሎ፡ ናብ ምድሪ ወዲቑ ኣንገርገረ ዓፈረ ኸኣ። 21የሱስ ድማ ነቦኡ፡ እዚ ኻብ ዝሕዞ ኽንደይ ዘመኑ እዩ፧ ኢሉ ሓተቶ። ንሱ ኸኣ፡ ካብ ንእስነቱ፡ 22ከጥፍኦ ብዙሕ ሳዕ ኣብ ሓውን ኣብ ማይን ደርብይዎ። ገለ ትክእል እንተ ዄንካ ግና፡ ደንግጸልናን ርድኣናን፡ በሎ። 23የሱስ ከኣ፡ እትኽእል እንተ ዄንካ፡ ትብል ኣሎኻ። ንዝኣምን ኩሉ ይክኣል እዩ፡ በሎ። 24ብኡብኡ ኣቦ እቲ ቘልዓ ዓው ኢሉ፡ እኣምን፡ ንዘይምእማነይ ደግፍ፡ በሎ። 25የሱስ እቶም ሰብ ናብኡ ኽጐዩ ምስ ረኣየ፡ ነቲ ርኹስ መንፈስ፡ ኣታ ዘይዛረብ ጸማም መንፈስ፡ እእዝዘካ ኣሎኹ፡ ካብኡ ውጻእ ተመሊስካውን ኣይትእተዎ፡ ኢሉ ገንሖ። 26ገዓረ ብዙሕ ፈንጠርጠር ኣቢልዎ ኸኣ ወጸ፡ ብዙሓት ሞይቱ ኽሳዕ ዝብሉ ድማ፡ ከም ሬሳ ዀነ። 27የሱስ ግና ብኢዱ ሒዙ ኣተንስኦ እሞ ተንስአ። 28ናብ ቤት ምስ ኣተወ፡ ደቀ መዛሙርቱ ብሕት ኢሎም፡ ከመይ ደኣ ንሕና ምውጻኡ ዝሰኣንና፧ ኢሎም ሓተትዎ። 29ንሱውን፡ እዚ ኸምዚ ዝበለ ዓሌት ብዘይ ብጸሎትን ብጾምን ክወጽእ ኣይከኣልን እዩ፡ በሎም። 30ካብኡ ወጺኦም ብገሊላ ሓለፉ። ሓደ እኳ እዚ ኽፈልጥ ኣይፈተወን። 31ንደቀ መዛሙርቱ ኸኣ ይምህሮም ነበረ እሞ፡ ወዲ ሰብ ኣብ ኢድ ሰብ ይወሃብ ኣሎ፡ ክቐትልዎ ድማ እዮም፡ ምስ ተቐትለ ኸኣ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ኽትንስእ እዩ፡ በሎም። 32ንሳቶም ግና ነዚ ነገርዚ ኣየስተውዓልዎን፡ ከይሓትዎ ኸኣ ፈርሁ። 33ኣብ ቅፍርናሆም በጽሐ። ናብ ቤት ምስ ኣተወ ኸኣ፡ ኣብ መገዲ እትዛራረብሉ ዝነበርኩም እንታይ እዩ፧ ኢሉ ሓተቶም። 34ንሳቶም ከኣ ኣብ መገዲ ንሓድሕዶም፡ መን ኰን ይበልጽ፧ ይባሃሃሉ ነበሩ እሞ፡ ኣጽቀጡ። 35ምስ ተቐመጠ ድማ ነቶም ዓሰርተው ክልተ ጸዊዑ፡ እቲ ቕድሚት ክኸውን ዝደሊ ድሕሪ ኹሉን ግዙእ ኹሉን ይኹን፡ በሎም። 36ቈልዓ ወሲዱ ድማ ኣብ ማእከሎም ደው ኣበሎ፡ ሓቑፍዎ ኸኣ፡ 37ካብዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ ናእሽቱ ንሓደ ብስመይ ዝቕበል ዘበለ ንኣይ እዩ ዝቕበል። እቲ ንኣይ ዝቕበል ከኣ ነቲ ዝለኣኸኒ እዩ እምበር፡ ንኣይ ኣይኰነን ዝቕበል፡ በሎም። 38ዮሃንስ ከኣ፡ መምህር፡ ሓደ ዘይስዕበና፡ ብስምካ ኣጋንንቲ ኸውጽእ ርኢናዮስ፡ ንሱ ስለ ዘይሰዓበና ኸሊእናዮ፡ በሎ። 39የሱስ ከኣ በለ፡ ኣይትኽልእዎ። ብስመይ ሓይሊ ዝገብር እሞ ብኡብኡ ሕሱም ክዛረበለይ ዝኽእል ሓደ እኳ የልቦን። 40ዘይበኣሰና ዘበለ ኹሉ ምሳና እዩ። 41ናይ ክርስቶስ ስለ ዝዀንኩም፡ ጣሳ ማይ ዝሑል ብስመይ ዘስትየኩም ዘበለ፡ ዓስቡ ኸም ዘይስእን፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 42ነቲ ኻብዞም ብኣይ ዝኣምኑ ናእሽቱ ንሓደ ዘስሕት፡ መጥሓን ኣድጊ ኣብ ክሳዱ ተኣሲሩ ኣብ ባሕሪ ኽጥሕል ምሓሾ ነይሩ። 43-44ኢድካ እንተ ኣስሓተትካ፡ ቍረጻ። ክልተ ኢድ ኣልዩካ፡ ናብቲ ዘይጠፍእ ሓዊ፡ ሓሰኻኦም ኣብ ዘይመውት፡ ሓዉውን ኣብ ዘይጠፍእ ገሃነም ካብ እትድርበስ፡ ቍሩጽ ኰንካ ናብ ህይወት ምእታው ይሕሸካ። 45-46እግርኻ እንተ ኣስሓተትካውን፡ ቁረጻ። ክልተ እግሪ ኣልዩካ፡ ናብ ዘይጠፍእ ሓዊ፡ ሓሳኻኦም ኣብ ዘይመውት፡ ሓዉውን ኣብ ዘይጠፍእ ካብ እትድርበስ፡ ሓንካስ ኴንካ ናብ ህይወት ምእታው ይሕሸካ። 47-48ዓይንኻ እንተ ኣስሓተትካውን፡ ኣንቍራ። ክልተ ዓይኒ ኣልዩካ፡ ናብቲ ሓሰኻኦም ኣብ ዘይመውት፡ ሓዉውን ዘይጠፍእ ናብ ሓዊ ገሃነም ካብ እትድርበስ፡ ነቋር ኰንካ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ምእታው ይሕሸካ። 49ነፍሲ ወከፍ ብሓዊ ይምቅር እዩ እሞ፡ ኵሉ መስዋእቲ ድማ ብጨው እዩ ዝምቕር። 50ጨው ጽቡቕ እዩ። እቲ ጨው መቐረቱ እንተ ኸደኸ፡ ብምንታይ ተምቕርዎ፧ ኣብ ነፍስኹም ጨው ይሃሉኹም፡ ንሓድሕድኩምውን ብሰላም ንበሩ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ወን.ማርቆስ ምዕራፍ 10
1ካብኡ ተልዒሉ ናብ ወሰን ምድሪ ይሁዳን ናብ ማዕዶ ዮርዳኖስን መጸ። ከም ብሓድሽ ከኣ ብዙሕ ህዝቢ ናብኡ ተኣከበ፡ ከምቲ ልማዱውን መሊሱ መሃሮም። 2ፈሪሳውያን ድማ ምእንቲ ኽፍትንዎ መጺኦም፡ ሰብኣይ ንሰበይቱ ኽፈትሓዶ ተፈቒድሉ እዩ፧ ኢሎም ሓተትዎ። 3ንሱ ግና፡ ሙሴኸ እንታይ ኣዘዘኩም፧ ኢሉ መለሰሎም። 4ንሳቶም ከኣ፡ ሙሴስ ጽሕፈት መፍትሒኣ ጺሒፍና ኽንፈትሓ ፈቒዱልና እዩ፡ በልዎ። 5የሱስ ከኣ በሎም፡ ብሰሪ ትሪ ልብኹም እዩ እዚ ትእዛዝ እዚ ዝጸሓፈልኩም። 6ካብ መጀመርያ ፍጥረት ግና ኣምላኽ፡ ሰብኣይን ሰበይትን ገይሩ እዩ ዝፈጠሮም። 7ስለዚ ሰብኣይ ኣቦኡን ኣዲኡን ሓዲጉ፡ ምስ ሰበይቱ ይጣበቕ፡ 8ክልቲኦም ሓደ ስጋ ይዀኑ፡፡ ስለዚ ድማ ሓደ ስጋ እዮም እምበር፡ ክልተ ኣይኰኑን። 9እምበኣርከ ነቲ ኣምላኽ ዘጋጠሞስ፡ ሰብ ኣይፍለዮ። 10ኣብ ቤት ከኣ ደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ እዚ ነገርዚ ኸም ብሓድሽ ሓተትዎ። 11ንሱ ድማ፡ ዝዀነ ይኹን ሰበይቱ ፈቲሑ ኻልእ ዘእቱ ኣብኣ ዘመወ። 12እታ ሰብኣያ ፈቲሓ ንኻልእ እተኣትወት ድማ ዘመወት፡ በሎም። 13ንቘልዑ ድማ ክትንክዮም ናብኡ ኣምጽእዎም። እቶም ደቀ መዛሙርቲ ግና ነቶም ዘምጽእዎም ገንሕዎም። 14የሱስ እዚ ምስ ረኣየ፡ ኣይፈተወሎምን እሞ፡ ሕደግዎም፡ ቈልዑ ናባይ ይምጽኡ። መንግስቲ ኣምላኽ ነዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ እያ እሞ፡ ኣይትኽልእዎም። 15ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ቈልዓ ዀይኑ ዘይተቐበላ ከቶ ኸም ዘይኣትዋ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ በሎም። 16ሓቝፉ ኢዱ ኣንቢሩሎም ባረኾም። 17ኣብ መገዲ ክኸይድ ከሎ ድማ፡ ሓደ ናብኡ ጐየየ፡ ተምበርኪኹውን፡ ኣታ ሄር መምህር፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽወርስ፡ እንታይ እግበር፧ ኢሉ ሓተቶ። 18የሱስ ከኣ፡ ንምንታይ ሄር ትብለኒ፧ ብዘይ ሓደ ኣምላኽ ሄር የልቦን። 19ነቲ ትእዛዛት ትፈልጦ ኣሎኻ፡ እኒ ኣይትቕተል፡ ኣይትዘሙ፡ ኣይትስረቕ፡ ብሓሶት ኣይትመስክር፡ ኣይትዓምጽ፡ ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር፡ በሎ። 20ንሱ ኸኣ፡ መምህር፡ እዚ ኹሉስ ካብ ንእስነተይ ጀሚረ እሕልዎ ኣሎኹ፡ በሎ። 21የሱስ ከኣ ጠሚቱ ፈተዎ እሞ፡ ሓንቲ ጐዲላትካ። ኪድ፡ ዘለካ ኹሉ ሼጥካ ንድኻታት ሃብ፡ ኣብ ሰማይ ድማ መዝገብ ክትረክብ ኢኻ እሞ ንዓ ስዓበኒ፡ በሎ። 22ንሱ ግና በዚ ቓልዚ ተኸፍአ፡ ብዙሕ ጥሪት ነበሮ እሞ፡ እናጐሃየ ኸደ። 23የሱስ ድማ ኣብ ዙርያኡ እናጠመተ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ገንዘብ ንዘለዎም ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ንምእታው ክንደይ ጭንቂ እዩ፡ በሎም። 24እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ ብዘረባኡ ተገረሙ። የሱስ ድማ ንደቀ መዛሙርቱ ኸም ብሓድሽ መሊሱ በሎም፡ ደቀይ ብጥሪት ንዝእመኑ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ምእታው ክንደይ ጭንቂ እዩ። 25ሃብታም ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ዝኣቱስ ገመል ብዓይኒ መርፍእ ክትሓልፍ ይቐልል። 26ብዙሕ ተገሪሞም፡ ንሓድሕዶም፡ መን ደኣ ዀን ክድሕን ይከኣሎ፧ ተባሃሃሉ። 27የሱስ ጠሚትዎም፡ ንኣምላኽ ኩሉ ይከኣሎ እዩ እሞ፡ ንኣምላኽ ደኣ እምበር፡ ንሰብሲ ኣይከኣሎን እዩ፡ በለ። 28ጴጥሮስ ፥ እንሆ፡ ንሕና ዅሉ ሓዲግና ሰዓብናካ፡ ክብሎ ጀመረ። 29የሱስ መለሰ በለውን ፥ ምእንታይን ምእንቲ ወንጌልን ኢሉ፡ ቤት፡ ወይ ኣሕዋት፡ ወይ ኣሓት፡ ወይ ኣቦ፡ ወይ ኣደ፡ወይ ሰበይቲ፡ ወይ ውሉድ፡ ወይ ግርሁ ዝሓደገ ዘበለ፡ 30ሕጂ ኣብዛ ዘመን እዚኣ ቤት፡ ኣሕዋት፡ ኣሓት፡ ኣደ፡ ውሉድ፡ ግርሁ፡ ሚእቲ ካዕበት ምስ ስደት፡ ኣብታ እትመጽእ ዓለም ከኣ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዘይረክብ የልቦን፡ ኢለ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ 31ብዙሓት ቀዳሞት ዳሕሮት፡ ዳሕሮት ከኣ ቀዳሞት ክዀኑ እዮም። 32ናብ የሩሳሌም ክድይቡ ኣብ መገዲ ኸለዉ፡ የሱስ ቀቅድሚኦም ይኸይድ ነበረ። ንሳቶም ከኣ ተገረሙ፡ እቶም ዝስዕቡ ዘለዉውን ፈርሁ። ከም ብሓድሽ ድማ ነቶም ዓሰርተው ክልተ ወሲዱ፡ እቲ ዝመጾ ዘሎ ኽነግሮም ጀመረ ፥ 33እንሆ፡ ናብ የሩሳሌም ንድይብ ኣሎና፡ ንወዲ ሰብ ኣብ ሊቃውንቲ ኻህናትን ኣብ ጸሓፍትን ከትሕዝዎ እዮም። ንሳቶም ድማ ፍርዲ ሞት ክፈርዱሉ፡ ነህዛብውን ኣሕሊፎም ክህብዎ እዮም። 34ከላግጹሉ፡ ጡፍ ክብሉሉ፡ ክገርፍዎ፡ ክቐትልዎ፡ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲውን ክትንስእ እዩ፡ በሎም። 35ያእቆብን ዮሃንስን ደቂ ዘብዴዎስ ናብኡ ቐሪቦም፡ መምህር፡ ዝለመንናካ ኽትገብረልና ንደሊ ኣሎና፡ በልዎ። 36ንሱ ኸኣ ፥ እንታይ ክገብረልኩም ትደልዩ ኣሎኹም፧ በሎም። 37ንሳቶም ድማ፡ ኣብቲ፡ ኽብርኻ ሓዴና ኣብ የማን ሓዴና ድማ ኣብ ጸጋምካ ኽንቅመጥ ሃበና፡ በልዎ። 38የሱስ ግና ፥ እትልምንዎ ኣይትፈልጡን ኢኹም። እታ ኣነ ዝሰትያ ጽዋእ ክትሰትዩ፡ እታ ኣነ ዝጥመቓ ጥምቀትውን ክትጥመቑኸ ይከኣለኩም ድዩ፧ በሎም። 39ንሳቶም ከኣ ፥ ይከኣለና እዩ፡ በልዎ። የሱስ ከኣ ፥ ነታ ኣነ ዝሰትያ ጽዋእሲ ኽትሰትይዋ፡ ነታ ኣነ ዝጥመቓ ጥምቀትውን ክትጥመቕዋ ኢኹም። 40ኣብ የማነይ ኣብ ጸጋመይ ምቕማጥ ግና ነቶም እተዳለወሎም እዩ እምበር፡ ኣነ ኣይኰንኩን ዝህቦ፡ በሎም። 41እቶም ዓሰርተ ሰሚዖም፡ ብያእቆብን ዮሃንስን ክናደዱ ጀመሩ። 42የሱስ ድማ ናብኡ ጸዊዑ ፥ ነህዛብ እቶም ከም ሸየምቶም ዝቝጸሩ ኸም ዝገዝእዎም፡ እቶም ዓበይቶምውን ከም ዝመልክዎም ትፈልጡ ኣሎኹም። 43ኣባኻትኩም ግና ከምዚ ኣይኰነን። እቲ ዓብዩ ክኸውን ዝደሊ ግዙእኩም ደኣ ይኹን። 44ካባኻትኩም ምርኡይ ክኸውን ዝደሊ ኸኣ፡ ንሱ ባርያ ዅሉ ይኹን። 45ወዲ ሰብ ድማ ከገልግል ህይወቱውን በጃ ብዙሓት ክህብ እምበር፡ ከገልግልዎ ኢሉ ኣይመጸን፡ በሎም። 46ኣብ ያሪኮ ድማ ኣተወ። ካብ ያሪኮ ምስ ደቀ መዛሙርቱን ምስ ብዙሕ ህዝብን ክወጽእ ከሎ ኸኣ፡ በርጢሜዎስ፡ እቲ ዕዉር ወዲ ጢሜዎስ፡ ኣብ ጥቓ መገዲ ተቐሚጡ ይልምን ነበረ። 47የሱስ፡ እቲ ናዝራዊ ምዃኑ ምስ ሰምዐ ድማ፡ ዓው ኡሉ፡ የሱስ ወዲ ዳዊት ምሓረኒ፡ ክብል ጀመረ። 48ብዙሓት ድማ ስቕ ክብል ገንሕዎ፡ ንሱ ግና ፥ ኣታ ወዲ ዳዊት፡ ምሓረኒ፡ እናበለ ኣዝዩ ጨደረ። 49የሱስ ድማ ደው ኢሉ ፥ ጸውዕዎ፡ በለ። ነቲ ዕዉር ከኣ ጸዊዖም ፥ ኣጆኻ፡ ተንስእ፡ ይጽውዓካ ኣሎ፡ በልዎ። 50ተንሲኡ፡ ባርኖሱ ኣውጺኡ፡ ናብ የሱስ መጸ። 51የሱስ ድማ ፥ እንታይ ክገብረልካ ትደሊ ኣሎኻ፧ ኢሉ መለሰሉ። እቲ ዕዉር ከኣ ፥ ረቡኒ፡ ክርኢ፡ በሎ። 52የሱስ ከኣ ፥ ኪድ፡ እምነትካ ኣሕወየትካ፡ በሎ። ብኡብኡ ረኣየ፡ ኣብ መገዲውን ሰዓቦ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ወን.ማርቆስ ምዕራፍ 11
1ናብ የሩሳሌም፡ ናብ ቤትፋጌ፡ ናብ ቢታንያ ኣብ ጥቓ ደብረ ዘይቲ ምስ ቀረበ ድማ፡ ካብ ደቀ መዛሙርቱ ኽልተ ለኣኸ። 2በሎምውን ፥ ኣብ መንጽርኩም ናብ ዘላ ዓዲ ኺዱ። ናብኣ ኽትኣትዉ ኸሎኹም፡ ብኡብኡ ሰብ ዘይተወጥሖ እሱር ጻዕብ ክትረኽቡ ኢኹም። ፈቲሕኩም ከኣ ኣምጽኡለይ። 3ገለ ሰብ ፥ ከመይከ እዚ ትገብሩ ኣሎኹም፧ እንተ በለኩም ፥ ጐይታ ይደልዮ ኣሎ፡ ኢልኩም ንገርዎ። ንሱ ኸኣ ብኡብኡ ነጀው ክሰዶ እዩ። 4ከዱ፡ ነቲ ጻዕብ ድማ ኣብ ደገ ኣብ ጥቓ መገዲ ተኣሲሩ ረኸብዎ ፈትሕዎውን። 5ካብቶም ኣብኡ ደው ኢሎም ዘለዉ ሓያሎ ኸኣ ፥ ኣቱም ጻዕብ እትፈትሑ፡ እንታይ ትገብሩ ኣሎኹም፧ በልዎም። 6ከምታ የሱስ ዝበሎም በልዎም፡ ንሳቶም ከኣ ሓደግዎም። 7ነቲ ጻዕብ ከኣ ናብ የሱስ ወሰድዎ፡ ክዳውንቶምውን ጠየቕዎ፡ ንሱ ኸኣ ኣብኡ ተወጥሐ። 8ብዙሓት ድማ ኣብቲ መገዲ ኽዳውንቶም ኣንጸፉ፡ ካልኦት ከኣ ካብ ኣእዋም ጨጨንፈሩ ሰሊዖም ነስነሱ። 9ቀቅድሚኡ ዝኸዱን ደድሕሪኡ ዝስዕቡን ከኣ ዓው ኢሎም ፥ ሆሳእና፡ ብስም እግዚኣብሄር ዝመጽእ ብሩኽ እዩ። 10እታ እትመጽእ ዘላ መንግስቲ ኣቦና ዳዊት ብርኽቲ እያ፡ ሆሳእና ኣብ ኣርያም፡ በሉ። 11የሱስ ኣብ የሩሳሌም ናብ ቤተ መቕደስ ኣተወ። ንኹሉ ግልጽ ኢሉ ምስ ጠመቶ፡ መስዩ ነበረ እሞ፡ ምስቶም ዓሰርተው ክልተ ናብ ቢታንያ ወጸ። 12ንጽብሒቱ ድማ ካብ ቢታንያ ኽወጹ ጠመየ። 13ብርሑቕ ከኣ ቈጻል በለስ ረኣየ፡ ምናልባሽ ገለ እንተ ረኸበላ ኽርኢ ኸኣ ናብኣ ኸደ። ናብኣ መጺኡ ኸኣ፡ ግዜ በለስ ኣይነበረን እሞ፡ ቈጽሊ እምበር፡ ገለ እኳ ኣይረኸበላን። 14መሊሱ ድማ ፥ ካባኺ ሓደ እኳ ንዘለኣለም ፍረ ኣይብላዕ፡ በላ። ደቀ መዛሙርቱውን ሰምዕዎ። 15ናብ የሩሳሌም ከኣ መጹ። ናብ ቤተ መቕደስ ኣትዩ ኸኣ፡ ነቶም ኣብታ ቤተ መቕደስ ኰይኖም ዝሸጡን ዝሻየጡን ከውጽኦም ጀመረ። ሰደቓ ሸረፍትን መንበር ሸየጥቲ ርግብን ደንከለ። 16ሓደ እኳ ኣቕሓ ጾይሩ በታ ቤተ መቕደስ ክሓልፍ ኣይፈቐደን እሞ ፥ 17ቤተይ ንኹሎም ኣህዛብ ቤት ጸሎት ትብሃል፡ ጽሑፍ ደይኰነን ንስኻትኩም ግና በዓቲ ጐሓሉት ገበርኩምዋ፡ ኢሉውን መሃሮም። 18ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን ድማ ሰምዑ፡ ብዘሎ እቲ ህዝቢ ብምህሮኡ ስለ እተገረመ ኸኣ፡ ይፈርህዎ ነበሩ እሞ፡ ከመይ ገይሮም ከም ዘጥፍእዎ ይደልዩ ነበሩ። 19ምስ መሰየ ድማ፡ ናብ ወጻኢ እታ ኸተማ ወጸ። 20ንግሆ ኽሓልፉ ኸለዉ፡ ነታ በለስ ካብ ሱራ ነቒጻ ረኣይዋ። 21ጴጥሮስ ድማ ዘኪሩ ፥ መምህር፡ እንሃ፡ እታ ዝረገምካያ በለስ ነቒጻ፡ በሎ። 22የሱስ ድማ መለሰ በሎምውን፡ ብኣምላኽ እመኑ። 23ዝዀነ ይኩን እቲ ዝበሎ ኸም ዝኸውን ዝኣምን እምበር፡ ብልቡ ዘይዋላወል፡ ነዚ ኸረን፡ ተንሲእካ ናብ ባሕሪ ጥሓል፡ እንተ በሎ፡ ንእኡ ኸም ዝዀነሉ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 24ስለ ፥ እትጽልይዎን እትልምንዎን ዘበለ ኸም ዝረኸብኩም እመኑ እሞ ክኾነልኩም እዩ፡ እብለኩም ኣሎኹ። 25ደው ኢልኩም ክትጽልዩ ኸሎኹም ድማ፡ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦኹም በደልኩም ምእንቲ ኽሓድገልኩም፡ ኣብ ብጻይኩም ገለ እንተ ኣሎኩም፡ ሕደጉሉ። 26ንስኻትኩም እንተ ዘይሓደግኩም ግና፡ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦኹም ድማ በደልኩም ኣይሓድገልኩምን እዩ። 27ተመሊሶም ከኣ ናብ የሩሳሌም መጹ። ኣብ ቤት መቕደስ ክመልላለስ ከሎ፡ ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን ዓበይትን ናብኡ መጹ እሞ፡ 28በየናይ ስልጣን እዚ ትገብር ኣሎኻ፡ ወይስ እዚ ንምግባር ዘሰልጠነካ መን እዩ፧ በልዎ። 29የሱስ ድማ፡ ኣነውን ሓንቲ ነገር እሓተኩም ኣሎኹ። ምለሱለይ፡ ኣነ ኸኣ በየናይ ስልጣን እዚ ኸም ዝገብር ክነግረኩም እየ። 30ጥምቀት ዮሃንስ ኻብ ሰማይ ድያ ወይስ ካብ ሰብ፧ እስኪ ምለሱለይ። 31ንሓድሕዶም ከኣ ከምዚ እናበሉ ተዛራረቡ፡ ካብ ሰማይ እንተ በልናዮ፡ ከመይ ደኣ ዘይኣመንኩምዎ፧ ክብለና እዩ። 32ካብ ሰብ እንተ በልናዮ ኸኣ፡ — ንዮሃንስ ኵሎም ብሓቂ ኸም ነብዪ ይርእይዎ ነበሩ እሞ፡ ነዚ ህዝቢ ፈርሁ። 33ንየሱስ፡ ኣይንፈልጥን፡ ኢሎም መለስሉ። የሱስ ከኣ፡ ኣነውን በየናይ ስልጣን እዚ ኸም ዝገብር፡ ኣይነግረኩምን እየ፡ በሎም።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ወን.ማርቆስ ምዕራፍ 12
1ብምስላ ድማ ክብሎም ጀመረ፡ ሰብኣይ ኣታኽልቲ ወይኒ ተኸለ፡ ሓጹር ሓጸሮ፡ መሓምተሊ ኸኣ ኰዓተሉ፡ ግምቢውን ሰርሓሉ፡ ንዓየይቲ ብመገስ ሂብዎም ድማ ገሸ። 2ግዜኡ ምስ በጽሐ፡ ካብቶም ዓየይቲ ፍረ እቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ኸምጽኣሉ፡ ናብቶም ዓየይቲ ባርያኡ ለኣኸ። 3ንሳቶም ግና ሒዞም ገሪፎም፡ ጥራይ ኢዱ ሰደድዎ። 4ከም ብሓድሽ ካልእ ባርያ ናባታቶም ለኣኸ። ንእኡ ኸኣ ርእሱ ብእምኒ ፈግእዎ፡ ኣሕሲሮምውን ሰደድዎ። 5ካልእ ድማ ለኣኸ፡ ንእኡውን ቀተልዎ። ብዙሓት ካልኦት ከኣ ለኣኸ፡ ንገሊኦም ገረፍዎም፡ ንገሊኦም ድማ ቐተልዎም። 6ገና ዘፍቅሮ ሓደ ወዲ ነበሮ። ኣብ መወዳእታ ፥ እስኪ ንወደይ እንተ ሓፈርዎ፡ ኢሉ ንእኡ ናባታቶም ለኣኾ። 7እቶም ዓየይቲ ግና፡ እዚ እቲ ወራሲ እዩ፡ ንዑ ንቕተሎ እሞ እቲ ርስቱ ንኣና ክኸውን፡ ተበሃሃሉ። 8ሒዞም ቀተልዎ፡ ካብቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ኸኣ ናብ ወጻኢ ደርበይዎ። 9እቲ ጐይታ ኣታኽልቲ ወይኒ ሕጂ ደኣ እንታይ ክገብር እዩ፧ መጺኡ ነቶም ዓየይቲ ኸጥፍኦም፡ እቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ኸኣ ንኻልኦት ክህቦም እዩ። 10-11እታ ፥ ነደቕቲ ዝነዓቕዎ እምኒ፡ ንሱ ርእሲ መኣዝን ኰነ፡ እዚ ኻብ እግዚኣብሄር ኰነ፡ ኣብ ኣዒንትናውን ግሩም እዩ፡ እትብል ጽሕፈትሲ ከቶዶ ኣየንበብኩምዋን ኢኹም፧ 12ነዚ ምስላ እዚ ብዛዕባኦም ከም ዝበሎ ፈሊጦም ነበሩ እሞ፡ ክሕዝዎ ደለዩ፡ ነቶም ህዝቢ ፈሪሆም ግና፡ ሓዲጎምዎ ኸዱ። 13ብዘረባ ኽጠልፍዎ ኸኣ፡ ካብ ፈሪሳውያንን ካብ ሄሮድሳውያንን ሓያሎ ሰደዱሉ። 14መጺኦም ድማ፡ መምህር፡ መገዲ ኣምላኽ ደኣ ብሓቂ ትምህር ኣሎኻ እምበር፡ ነዚ ነቲ ኣይትብልን ኢኻ እሞ፡ ገጽ ሰብ ርኢኻ ዘይተዳሉ ሓቀኛ ምዃንካ ንፈልጥ ኣሎና። ንቄሳር ግብሪ ምሃብሲ ተፈቒዱ ድዩ ወይስ ኣይፋሉን፧ ንሃብዶ ኣይንሃብ፧ በልዎ። 15የሱስ ግብዝናኦም ፈሊጡ፡ ስለምንታይ ትፍትኑኒ ኣሎኹም፧ እቲ ዲናር ክርእዮ ኣምጽኡለይ፡ በሎም። 16ኣምጽኡሉ። ንሱ ኸኣ ፥ እዝስ ስእሉን ጽሕፈቱን ናይ መን እዩ፧ በሎም። ንሳቶም፡ ናይ ቄሳር፡ በልዎ። 17የሱስ ከኣ፡ እምብኣርሲ ናይ ቄሳር ንቄሳር፡ እቲ ናይ ኣምላኽውን ንኣምላኽ ሃቡ፡ ኢሉ መለሰሎም። ብእኡ ድማ ገረሞም። 18ትንሳኤ የልቦን ዝብሉ ሰዱቃውያን ከኣ ናብኡ መጹ፡ ከምዚ ኢሎምውን ሓተትዎ፡ 19መምህር፡ ሓዉ ዝሞቶ ዘበለ ውሉድ ከይወለደውን ሰበይቱ እንተ ሓደገ፡ ነታ ሰበይቱ እቲ ሓዉ ይውረሳ እሞ፡ ንሓዉ ዘርኢ የቝመሉ፡ ኢሉ ሙሴ ጸሓፈልና። 20ሾብዓተ ኣሕዋት ነበሩ። እቲ ቐዳማይ ሰበይቲ ኣእተወ፡ ውሉድ ከይሓደገ ኸኣ ሞተ። 21እቲ ኻልኣይ ድማ ወረሳ፡ ሓድጊ ኸይሓደገውን ሞተ። እቲ ሳልሳይ ኸኣ ኸምኡ። 22ሾብዓቲኦም ከኣ ሓድጊ ኣይሓደጉን። ድሕሪ ዅሎም ድማ እታ ሰበይቲ ሞተት። 23ሾብዓቲኦም ኣእትዮምዋ ነይሮም እዮም እሞ፡ ብትንሳኤ ምስ ተንስኡስ፡ ሰበይቲ መኖም ክትከውን እያ፧ 24የሱስ ከኣ ፥ መጻሕፍቲ ዀነ ወይስ ሓይሊ ኣምላኽ ሰኣን ምፍላጥኩም ደይኰንኩምን እትስሕቱ ዘሎኹም፧ 25ካብ ምዉታት ምስ ተንስኡስ፡ ከም መላእኽቲ ኣምላኽ ኣብ ሰማያት እዮም ዝዀኑ እምበር፡ ኣየእትዉን ኣየተኣታትዉን እዮም። 26ብዛዕባ ምዉታት ከም ዝትንስኡኸ፡ ኣብ መጽሓፍ ሙሴ፡ ኣምላኽ ኣብቲ ኣሻዅ ቈጥቋጥ ፥ ኣነ ኣምላኽ ኣብርሃምን ኣምላኽ ይስሃቅን ኣምላኽ ያእቆብን እየ፡ ኢሉ ኸም ዝበለዶ ኣየንበብኩምን ኢኹም፧ 27ንሱ ናይ ህያዋን ኣምላኽ እምበር፡ ናይ ምዉታት ኣምላኽ ኣይኰነን። ንስኻትኩም ኣዚኩም ትስሕቱ ኣሎኹም፡ ኢሉ መለሰሎም። 28ካብ ጸሓፍቲ ሓደ ኽርክሮም ሰሚዑ ቐረበ፡ ጽቡቕ ከም ዝመለሰሎም ርእዩ ኸኣ ፥ ካብ ኩለን ትእዛዛትሲ ኣየነይቲ እያ ቐዳመይቲ፧ ኢሉ ሓተቶ። 29የሱስ መለሰ ፥ እታ ቐዳመይቲ እዚኣ እያ ፥ እስራኤል፡ ስማዕ ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽና፡ ንሱ በይኑ እዩ እግዚኣብሄር። 30ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብዅሉ ንፍስኻን ብዅሉ ሓሳብካን ብዅሉ ሓይልኻን ኣፍቕሮ። እታ ቐዳመይቲ ትእዛዝ እዚኣ እያ። 31እታ ኻልአይታ እትመልሳ ድማ ፥ ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቕሮ፡ እያ። ካብ እዚኣተን እትዓቢ ኻልእ ትእዛዝ የልቦን። 32እቲ ጸሓፊ ኸኣ ፥ መምህር፡ ብሓቂ ጽቡቕ ተዛረብካ፡ ኣምላኽ ሓደ እዩ፡ ብጀካኡ ድማ ካልእ የልቦን። 33ብምሉእ ልብኻን ብምሉእ ኣእምሮኻን ብዅሉ ሓይልኻን ከተፍቅሮ ንብጻይካውን ከም ነፍስኻ ኸተፍቅሮ፡ እዚ ኻብ ኵሉ ዝሓርር መስዋእትን ካብ መስዋእቲ ሕሩድን ዝዓቢ እዩ፡ በሎ። 34የሱስ ድማ፡ በእምሮ ኸም ዝመለሰ ምስ ረኣዮ፥ ንስኻስ ካብ መንግስቲ ኣምላኽ ርሑቕ ኣይኰንካን፡ በሎ። ደጊሙ ኽሓቶ ኸኣ ሓደ እኳ ኣይደፈረን። 35የሱስ ድማ ኣብ ቤተ መቕደስ ክምህር ከሎ፡ መለሰ በለውን ፥ ጸሓፍቲ ኸመይ ኢሎም እዮም ፥ ክርስቶስ ወዲ ዳዊት እዩ ዝብሉ፧ 36ዳዊት ባዕሉ ብመንፈስ ቅዱስ ፥ ጐይታ ንጐይታይ ፥ ንጸላእትኻ መርገጽ እግርኻ ኽሳዕ ዝገብሮም፡ ኣብ የማነይ ተቐመጥ፡ በሎ፡ ይብል። 37ዳዊት ባዕሉ ጐይታይ ካብ ዝብሎ ደኣ፡ ከመይ ኢሉ ወዱ ይዀኖ፧ እቶም ብዙሓት ሰብ ድማ ባህ ኢልዎም ሰምዕዎ። 38-39ብምህሮኡ ኸኣ በሎም ፥ ካብቶም ነዊሕ ባርኖስ ተኸዲኖም ዝዞሩን ኣብ ዕዳጋውን ክሳለምዎም ዝፈትዉን ኣብ ቤት ጸሎት ኣውራ ምቕማጥ፡ ኣብ መኣዲ ኸኣ ስፍራ ኽብሪ ዝደልዩን ጸሓፍቲ ተጠንቀቑ። 40ኣባይቲ መበለታት ይውሕጡ፡ ከምስሉ ኸኣ ጸሎት የንውሑ። እዚኣቶም ዝገደደ ፍርዲ ክቕበሉ እዮም። 41የሱስ ድማ ኣብ መንጽር ሳጹን ምጽዋት ተቐሚጡ፡ እቶም ሰብ ኣብቲ ሳጹን ምጽዋት ከመይ ገይሮም ገንዘብ ከም ዘውድቑ ረኣየ። ብዙሓት ሃብታማት ብዙሕ ኣውደቑ። 42ሓንቲ ድኻ መበለት ከኣ መጺኣ ኽልተ ለብጦን፡ ሓደ ቆድራንቴን ዝኣክል፡ ኣውደቐት። 43ንደቀ መዛሙርቱ ጸዊዑ ኸኣ ፥ እዛ ድኻ መበለት እዚኣ ኻብዞም ኣብዚ ሳጹን ምጽዋት ዘውደቑ ዅሎም ዝበዝሕ ከም ዘውደቐት፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 44ኵሎም ካብ ተረፎም እዮም ዘውደቑ እሞ፡ እዚኣ ግና ካብ ድኽነታ ዘለዋ ዘበለ ዅሉ ምግባ እያ ዝሃበት፡ በሎም።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ወን.ማርቆስ ምዕራፍ 13
1ካብ ቤተ መቕደስ ምስ ወጸ ድማ፡ ሓደ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ ፥ መምህር፡ ከመይ ዝበለ ኣእማንን ከመይ ዝበለ ህንጻንማ ርኤ፡ በሎ። 2የሱስ ድማ ፥ ነዚ ዓብዪ ህንጻዶ ትርእዮ ኣሎኻ፧ ዘይፈርስ እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ ኣይክትርፍን እዩ፡ ኢሉ መለሰሉ። 3ኣብ ደብረ ዘይቲ ኣብ ማዕዶ ቤተ መቕደስ ተቐሚጡ ኸሎ፡ ጴጥሮስን ያእቆብን ዮሃንስን እንድርያስን ብሕት ኢሎም ፥ 4እስኪ ንገረና፡ እዚ መኣዝ ክኸውን እዩ፧ እዚ ዅሉ መኣዝ ከም ዝፍጸምሲ፡ ትእምርቱ እንታይ እዩ፧ ኢሎም ሓተትዎ። 5የሱስ ከኣ ክብሎም ጀመረ፡ ሓደ እኳ ኸየስሕተኩም ተጠንቀቑ። 6ብዙሓት ፥ ኣነ እየ፡ እናበሉ ብስመይ ክመጹ እዮም እሞ፡ ንብዙሓት ከኣ ከስሕቱ እዮም። 7ውግእን ወረ ውግእን እንተ ሰማዕኩም፡ ኣይትሸበሩ። እዚ ክኸውን ብግዲ እዩ፡ ግናኸ መወዳእታ ገና እዩ። 8ህዝቢ ናብ ህዝቢ፡ መንግስቲውን ናብ መንግስቲ ኽለዓል እዩ እሞ፡ በብቦታኡ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ክኸውን፡ ጥሜት ክኸውን እዩ። እዚ መጀመርያ ቕልውላው እዩ። 9ንኣታቶም ንምስክር ግና ምእንታይ ንዋዕላ ኣሕሊፎም ክህብኹም፡ ኣብ ቤት ጸሎቶምውን ክገርፉኹም፡ ኣብ ቅድሚ መኳንንትን ነገስታትን ከኣ ደው ከብሉኹም እዮም እሞ፡ ንርእስኹም ተጠንቀቑ። 10ቅድም ንዅሎም ኣህዛብ ወንጌል ክስበኽ ከኣ ብግዲ እዩ። 11መንፈስ ቅዱስ እዩ እምበር፡ ንስኻትኩም ኣይኰንኩምን እትዛረቡ እሞ፡ ኣሕሊፎም ክህቡኹም ምስ ወሰዱኹም፡ እንታይ ከም እትዛረቡ ኣቐዲምኩም ኣይትጨነቑ፡ እቲ በታ ሰዓት እቲኣ ዝውሃበኩም ደኣ ተዛረቡ። 12ሓው ንሓው፡ ወላዲ ንውሉዱ ኣሕሊፉ ንሞት ክህብ እዩ። ውሉድውን ናብ ወለዶም ተንሲኦም ክቐትልዎም እዮም። 13ምእንቲ ስመይ ከኣ ኵሉ ኽጸልኣኩም እዩ። እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዝዕገስ ግና፡ ንሱ ኽድሕን እዩ። 14እቲ ብነብዪ ዳንኤል እተባህለ ጥፍኣት ርኽሰት ኣብ ዘይግብኦ ስፍራ ቘይሙ እንተ ርኤኹም፡ እቲ ዘንብብ የስተውዕል፡ ሽዑ ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ናብ ኣኽራን ይህደሙ። 15ኣብ ዝባን ናሕሲ ዘሎ ኸኣ፡ ካብ ቤቱ ገለ ኽማላእ ኣይውረድ ኣይእቶውን። 16ኣብ ወፍሪ ዘሎ ኸኣ ክዳኑ ኽማላእ ንድሕሪት ኣይመለስ። 17በታ ቕነ እቲኣ ግና ንጥኑሳትን ንዘጥብዋን ወይለአን። 18-19ካብታ ኣምላኽ መጀመርያ ፍጥረት ዝፈጠረላ ኽሳዕ ሎሚ ኸምኡ ዘይኰነ፡ ድማ ከቶ ዘይከውን መከራ በታ ቕነ እቲኣ ክኸውን እዩ እሞ፡ ምህዳምኩም ብኽረምቲ ኸይከውንሲ ጸልዩ። 20እተን መዓልትታት እቲአን እግዚኣብሄር እንተ ዘየሕጽረንሲ፡ ስጋ ዝለበሰ ዅሉ ኣይምደሓነን ነይሩ። ምእንቲ እቶም ንሱ ዝሓረዮም ሕሩያት ግና ነተን መዓልትታት እቲአን ኣሕጸረን። 21ሽዑ ሓደ እኳ፡ ክርስቶስ ኣብዚ እንሆ፡ ወይስ ኣብቲ ኣሎ፡ እንተ በለኩም፡ ኣይትእመኑ። 22ናይ ሓሶት ክርስቶሳትን ናይ ሓሶት ነብያትን ክትንስኡ እዮም እሞ፡ እንተ ተኻእሎምሲ፡ ነቶም ሕሩያትውን ከስሕቱ፡ ትእምርትን ተኣምራትን ክገብሩ እዮም። 23ንስኻትኩም ግና ተጠንቀቑ። እንሆ ኣቐዲመ ዅሉ ነገርኩኹም። 24በታ ቕነ እቲኣ ድሕርዚ መከራዚ ጸሓይ ክትጽልምት፡ ወርሒውን ብርሃና ኣይክትህብን እያ። 25ከዋኽብቲ ኸኣ ካብ ሰማይ ክወድቁ፡ ሓይልታት ሰማያትውን ከንቀጥቅጡ እዮም። 26ሽዑ ንወዲ ሰብ ብብዙሕ ሓይልን ግርማን ብደበና ኽመጽእ ከሎ፡ ክርእይዎ እዮም። 27ሽዑ ኸኣ ንመላእኽቱ ኽልእኮም፡ ነቶም ሕሩያቱ ድማ ካብ ኣርባዕተ መኣዝን ንፋሳት፡ ካብ ወሰን ምድሪ ኽሳዕ ወሰን ሰማይ ክእክቦም እዩ። 28ምስላኡ ኻብ ኦም በለስ ተምሃሩ። ጨናፍራ ምስ ለምለመ ቈጽላውን ምስ ጠጥዐ፡ ክረምቲ ኸም ዝቐረበ፡ ትፈልጡ ኢኹም። 29ንስኻትኩም ድማ ከምኡ እዚ ክኸውን ከሎ እንተ ርኤኹም፡ ኣብ ኣፍ ቤት ከም ዝቐረበ ፍለጡ። 30እዚ ዅሉ ኽሳዕ ዝኸውን፡ እዚ ወለዶ እዚ ኸም ዘይሓልፍ፡ ብሓቂ ኣብለኩም ኣሎኹ። 31ሰማይን ምድርን ክሓልፍ፡ ቃለይ ግና ኣይክሓልፍን እዩ። 32ብዛዕባ እታ መዓልቲ እቲኣን እታ ሰዓት እቲኣን ግና ኣቦ ደኣ እምበር፡ መላእኽቲ ሰማይ ኰኑ ወዲ ዀነ ሓደ እኳ ዝፈልጥ የልቦን። 33እቲ ጊዚኡ መኣዝ ምዃኑ ኣይትፈልጥዎን ኢኹም እሞ፡ ተጠንቀቑ፡ ንቕሑን ጸልዩን። 34ከም ዝገሸ ሰብ እዩ ፥ ቤቱ ኽሓድግ ከሎ፡ ንባሮቱ ስልጣን ሃቦም፡ ንነፍሲ ወከፍ ከኣ ዕዮኡ፡ ንሓላው ደገውን ክነቅሕ ኣዘዞ። 35-36እቲ ብዓል ቤት መኣዝ ከም ዝመጽእ፡ ኣይትፈልጡን ኢኹም እሞ፡ ወይ ምሸት፡ ወይ ፍርቂ ለይቲ፡ ወይ ደርሆ ነቆ፡ ወይ ከኣ ንግሆ፡ ብድንገት መጺኡ ደቂስኩም ከይረኽበኩምሲ፡ ስለዚ ንቕሑ። 37እዚ ንኣኻትኩም ዝብለኩም ዘሎኹ፡ ንዅሉ እብሎ ኣሎኹ ፥ ንቕሑ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ወን.ማርቆስ ምዕራፍ 14
1ድሕሪ ኽልተ መዓልቲ ፋስጋን በዓል ቅጫን ነበረ። ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን ብተንኰል ሒዞም ክቐትልዎ ደለዩ። 2ግናኸ ኣብ ህዝቢ ጋሮ ኸይለዓልሲ ብበዓል ኣይኹን፡ በሉ። 3ኣብ ቢታንያ ኣብ ቤት ስምኦን፡ እቲ ለምጻም፡ ኣብ መኣዲ ተቐሚጡ ኸሎ፡ ሓንቲ ሰበይቲ ብዙሕ ዝዋጋኡ ጽሩይ ቅብኢ ናርዶስ ዝመልአ ቢልቃጥ ሒዛ መጸት። ነቲ ቢልቃጥ ሰቢራ ኸኣ ኣብ ርእሱ ኣፍሰሰቶ። 4ሓያሎ ብልቦም እናተናደዱ ፥ ንምንታይ እዚ ጥፍኣት ቅዱይ ቅብኢዀነ፧ 5እዚ ቕዱይ ቅብኢ እዚ ኻብ ሰለስተ ሚእቲ ዲናር ንዝበዝሕ ተሸይጡስ፡ ንድኻታት ግዳ ምተዋህበ ነይሩ፡ ኢሎም ኰረዩላ። 6የሱስ ግና ፥ ስለምንታይ ተጕህይዋ ኣሎኹም፧ ሕደግዋ፡ ጽቡቕ ግብሪ ገይራትለይ ኣላ። 7ድኻታትሲ ዅሉ ሳዕ ምሳኻትኩም ኣለዉ፡ ጽቡቕ ክትገብሩሎም እንተ ደሌኹም ከኣ፡ ይከኣለኩም እዩ። ንኣይ ግና ኵሉ ሳዕ ኣይትረኽቡንን ኢኹም። 8ዝከኣላ ገበረት፡ ኣቐዲማ ንቐብረይ ስጋይ ቀብአት። 9እዚ ወንጌል እዚ ኣብ እተሰብኮ ዘበለ ኣብ ኵላ ዓለም፡ እዚ ንሳ ዝገበረቶ ንመዘከሪኣ ኸም ዝንገር፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ በለ። 10ይሁዳ ኣስቆሮታዊ፡ ካብቶም ዓሰርተው ክልተስ ሓደ፡ ንእኡ ኣሕሊፉ ኽህቦም፡ ናብ ሊቃውንቲ ኻህናት ከደ። 11ሰሚዖም ተሓጐሱ። ኣቕራሽ ክህብዎ ኸኣ ኣውዓሉሉ። ንሱ ድማ ኣሕሊፉ ኽህቦም ምሹእ ግዜ ይደሊ ነበረ። 12በታ ገንሸል ፋስጋ ዝሕረደላ ቐዳመይቲ መዓልቲ በዓል ቅጫ፡ ደቀ መዛሙርቱ ፥ ገንሸል ፋስጋ ኽትበልዕ፡ ናበይ ኬድና ኸነዳልወልካ ትደሊ፧ በልዎ። 13ካብቶም ደቀ መዛሙርቱ ኽልተ ልኢኹ ድማ፡ ናብ ከተማ ኺዱ፡ ኣብኡ ዕትሮ ማይ እተሰከመ ሰብኣይ ክትረኽቡ ኢኹም፡ ንእኡ ስዓብዎ። 14ኣብታ ዝኣትዋ ኸኣ ነቲ ብዓል ቤት ፥ ምስ ደቀ መዛሙርተይ ገንሸል ፋስጋ ዝበልዓላ ቤት ኣጋይሽ ኣበይ እያ፧ ይብለካ ኣሎ መምህር፡ በልዎ። 15ንሱ ኸኣ ኣብ ደርቢ እተነጽፈን እተዳለወን ኣዳራሽ ከርእየኩም እዩ። ኣብኡ ኣዳልዉልና፡ በሎም። 16እቶም ደቀ መዛሙርቱ ኸዱ፡ ናብታ ኸተማ ኸኣ መጹ፡ ከምቲ ዝበሎም ድማ ረኸቡ፡ ገንሸል ፋስጋውን ኣዳለዉ። 17ምስ መሰየ፡ ንሱ ምስቶም ዓሰርተው ክልተ መጸ። 18ኣብ መኣዲ ተቐሚጦም ክበልዑ ኸለዉ፡ የሱስ ፥ ሓደ ኻባኻትኩም፡ እቲ ምሳይ ዝበልዕ፡ ከትሕዘኒ እዩ፡ ኢለ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ በለ። 19ክጕህዩ ጀመሩ፡ በብሓደ ኸኣ፡ ኣነ ደዀን እኸውን፧ በሉ። 20ንሱ ኸኣ በሎም፡ ካብቶም ዓሰርተው ክልተስ ሓደ፡ ምሳይ ኣብ ጻሕሊ ዝጠልቕ፡ እዩ። 21ወዲ ሰብሲ፡ ከምቲ ብዛዕባኡ እተጻሕፈ፡ ይኸይድ፡፡ እቲ፡ ወዲ ሰብ ብእኡ ዝተሓዝ ሰብኣይ ግና ወይለኡ። እቲ ሰብኣይ እትስ እንተ ዘይውለድ፡ ምሓሾ ነይሩ። 22ክበልዑ ኸለዉ ድማ፡ እንጌራ ኣልዒሉ፡ ባሪኹ ቘረሰ፡ ንኣታቶም ከኣ፡ ውሰዱ፡ እዚ ስጋይ እዩ፡ ኢሉ ሃቦም። 23ጽዋእ ኣልዒሉ ድማ ኣመስጊኑ ሃቦም፡ ኵሎምውን ካብኡ ሰተዩ። 24ንሱ ኸኣ፡ እዚ ምእንቲ ብዙሓት ዝፈስስ ናይ ሓድሽ ኪዳን ደመይ እዩ። 25ክሳዕ እታ መዓልቲ እቲኣ ኣብታ መንግስቲ ኣምላኽ ሓድሽ ክሳዕ ዝሰትዮ፡ ካብ ፍረ ኦም ወይኒ ኣይክሰትን እየ፡ ኢሉ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ በሎም። 26መዝሙር ምስጋና ምስ ዘመሩ ኸኣ፡ ናብ ደብረ ዘይቲ ደየቡ። 27የሱስ ድማ ፥ ነቲ ጓሳ እቐትሎ፡ እተን ኣባጊዕ ከኣ ፋሕ ይብላ፡ ጽሑፍ እዩ እሞ፡ በዛ ለይቲ እዚኣ ዅሉኹም ብኣይ ክትዕንቀፉ ኢኹም። 28ምስ ተንሳእኩ ግና፡ ናብ ገሊላ ክቕድመኩም እየ፡ በሎም። 29ጴጥሮስ ድማ ፥ ኵሎም እንተ ተዓንቀፉ እኳ፡ ኣነስ ኣይዕንቀፍን እየ፡ በሎ። 30የሱስ ድማ ፥ ሎሚ በዛ ለይቲ እዚኣ ደርሆ ኽልተ ሳዕ ከይነቀወ፡ ሰለስተ ሳዕ ክትክሕደኒ ኢኻ፡ ኢሉ ብሓቂ እብለካ ኣሎኹ፡ በሎ። 31ሽዑ ንሱ ፥ ምሳኻ ንሙማት እንተ ዀነ እኳ፡ ከቶ ኣይክሕደካን እየ፡ ኢሉ ኣዝዩ ኣጽኒዑ ተዛረበ። ኵሎምውን ከምኡ በሉ። 32ጌተሰማኔ ናብ እትብሃል ቦታ መጹ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ኸኣ፡ ክሳዕ ዝጽሊ፡ ኣብዚ ተቐመጡ፡ በሎም። 33ንጴጥሮስን ያእቆብን ዮሃንስን ምስኡ ወሰደ፡ ክጕህን ክትክዝን ጀመረ እሞ ፥ 34ነፍሰይ ክሳዕ ሞት ኣዝያ ትጕሂ ኣላ፡ ኣብዚ ኹኑ ንቕሑውን፡ በሎም። 35ቅሩብ ንቕድሚት ሕልፍ ኢሉ ኣብ ምድሪ ተደፍአ፡ ዝከኣል እንተ ዀይኑስ፡ እዛ ሰዓት ካብኡ ኽትሓልፍ ጸለየ እሞ ፥ 36ኣባ፡ ኣቦይ፡ ኵሉ ይከኣለካ እዩ፡ እዛ ጽዋእ እዚኣ ኻባይ ኣሕልፋ። ግናኸ ንስኻ ከም እትደልዮ እምበር፡ ኣነ ኸም ዝደልዮ ኣይኹን፡ በለ። 37መጸ፡ ደቂሶም ከኣ ረኸቦም፡ ንጴጥሮስ ድማ ፥ ስምኦን፡ ደቂስካዶ፧ ሓንቲ ሰዓት ክትነቅሕዶ ኣይከኣልካን፧ 38ናብ ፈተና ኸይትኣትዉ፡ ንቕሑ ጸልዩውን። መንፈስሲ ተዳልዩ ኣሎ፡ ስጋ ግና ድኹም እዩ፡ በሎ። 39ከም ብሓድሽ ከይዱ ድማ፡ እቲ ኢልዎ ዝነበረ ቓል ጸለየ። 40ተመሊሱ ኸኣ ኣዒንቶም ባዕዚዙ ነበረ እሞ፡ ካልኣይ ደቂሶም ረኸቦም፡ እንታይ ከም ዝመልሱሉ ኸኣ ኣይፈልጡን ነበሩ። 41ሳልሳይ መጺኡ ኸኣ ፥ ደጊም ደቅሱን ዕረፉውን። ይኣክል፡ እታ ሰዓት በጺሓ። እንሆ፡ ወዲ ሰብ ኣብ ኢድ ሓጥኣን ክትሓዝ እዩ። 42ተንስኡ ንኺድ፡ እቲ ዘትሕዘኒ እንሆ፡ ቀሪቡ ኣሎ፡ በሎም። 43ብኡብኡ ገና ኽዛረብ ከሎ፡ ይሁዳ፡ ካብቶም ዓሰርተው ክልተስ ሓደ፡ መጸ። ምስኡ ኸኣ ካብ ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን ዓበይትን፡ ኣስያፍ ኣባትርን ዝሓዙ እኩባት ህዝቢ መጹ። 44እቲ ዘትሕዞ ኸኣ፡ እቲ ኣነ ዝስዕሞ፡ ንሱ እዩ፡ ሓዝዎ ኣጽኒዕኩምውን ውሰድዎ፡ ኢሉ መፈለጥታ ሃቦም። 45መጺኡ ድማ ብኡብኡ ናብኡ ቐሪቡ፡ ረቢ፡ ረቢ፡ ኢሉ ሰዓሞ። 46ንሳቶም ከኣ ኣእዳዎም ናብኡ ዘርጊሖም ሓዝዎ። 47ካብቶም ኣብ ጥቕኡ ደው ዝበሉ ሓደ ግና ሰይፉ መሊሑ፡ ነቲ ባርያ ሊቀ ኻህናት ወቒዑ፡ እዝኑ ቘረጾ። 48የሱስ ድማ ፥ ከም ንኸታሪዶ ኣስያፍን ኣባትርን ሒዝኩም፡ ክትሕዙኒ መጻእኩም፧ 49ኣብ ቤተ መቕደስ እናመሃርኩ ዕለት ዕለት ምሳኻትኩም እውዕል ነበርኩ እሞ ኣይሓዝኩምንን። እዚ ግና እተን ጽሑፋት ምእንቲ ኽፍጸማ ይኸውን ኣሎ፡ ኢሉ መለሰሎም። 50ኵሎም ከኣ ሓዲጎምዎ ሃደሙ። 51ነጸላ እተኸድነ ጐበዝ ድማ ሰዓቦ፡ ንእኡ ኸኣ ሓዝዎ። 52ንሱ ግና ነጸላኡ ሓዲጉ ጥራይ ዝባኑ ሃደመ። 53ንየሱስ ድማ ናብ ሊቀ ኻህናት ወሰድዎ። ብዘለዉ ሊቃውንቲ ኻህናትን ዓበይትን ጸሓፍትን ናብኡ ተኣከቡ። 54ጴጥሮስ ድማ ርሕቕ ኢሉ ኽሳዕ ውሽጢ ገዛ ሊቀ ኻህናት ሰዓቦ። ኣብኡ ምስቶም ገላዉ ተቐሚጡ ኸኣ ሓዊ ይስሕን ነበረ። 55ሊቃውንቲ ኻህናትን ኵሎም ዋዕላን ንየሱስ ክቐትልዎ ምስክር ደለዩ፡ ኣይረኸቡን ከኣ። 56ብዙሓት ብሓሶት መስከሩ፡ ምስክሮም ግና ኣይተሳማምዐን። 57ሓያሎ ምስክር ሓሶት ድማ ፥ 58ኣነ ነዛ ብኢድ እተገበረት ቤተ መቕደስ ከፍርሳ እየ፡ ብኢድ ዘይተገብረት ካልእ ከኣ ብሰለስተ መዓልቲ ኽሃንጽ እየ፡ ክብል ከሎ፡ ንሕና ሰሚዕናዮ፡ ዝብል ተንስእዎ። 59ምስክሮም ከኣ በዚውን ኣይገጠመን። 60እቲ ሊቀ ኻህናት ኣብ ማእከሎም ብድድ ኢሉ ፥ በዚ ዝምስክሩልካ ዘለዉስ እኳዶ ኣይትምልስን ኢኻ፧ ኢሉ ንየሱስ ሓተቶ። 61ንሱ ኸኣ ስቕ በለ እምበር፡ ኣይመለሰን። እቲ ሊቀ ኻህናት ድማ ከም ብሓድሽ ፥ ክርስቶስ ወዲ እቲ ብሩኽዶ ንስኻ ኢኻ፧ ኢሉ ሓተቶ። 62የሱስ ድማ ፥ ኣነ እየ። ንወዲ ሰብ ኣብ የማን ሓይሊ ተቐሚጡ፡ ብደበና ሰማይ ክመጽእ ከሎ ኽትርእይዎ ኢኹም፡ በሎ። 63ሽዑ እቲ ሊቀ ኻህናት ክዳኑ ቐዲዱ ፥ ደጊምከ እንታይ ግዲ ምስክር ኣሎና፧ 64ምጽራፉ ሰሚዕኩም። እንታይ ይመስለኩም፧ በለ። ኵሎም ከኣ ፥ ሞት ይግብኦ፡ ኢሎም ፈረዱ። 65ሓያሎ ድማ ጡፍ ክብሉሉ፡ ገጹ ኣጐልቢቦም ከጕስጥዎ፡ ተነበውን ክብልዎ ጀመሩ። እቶም ገላዉ ድማ እናጸፍዑ ወሰድዎ። 66ጴጥሮስ ኣብ ታሕቲ ኣብ ገዛ ኸሎ፡ ካብ ኣግራድ ሊቀ ኻህናት ሓንቲ መጸት። 67ንጴጥሮስ፡ ሓዊ ኽስሕን ከሎ፡ ምስ ረኣየቶ ኸኣ፡ ንስኻውን ምስ የሱስ ናዝራዊ ኔርካ፡ እናበለት ጠመተቶ። 68ንሱ ግና ፥ እዚ ንስኺ እትብልዮ ዘሎኺ ኣይፈልጦን ኣየስተውዕሎንውን እየ፡ ኢሉ ኸሓደ። ካብ ገዛ ኸኣ ናብ ዓንቀጽ ወጸ፡ ደርሆውን ነቀወ። 69እታ ገረድ ረኣየቶ፡ ነቶም ኣብ ጥቓኡ ደው ኢሎም ዘለዉ ኸኣ፡ እዚ ኻባታቶም እዩ፡ ኢላ ኸም ብሓድሽ ክትነግሮም ጀመረት። 70ንሱ ድማ ከም ብሓድሽ ከሓደ። እቶም ደው ዝበሉ ቕሩብ ጽንሕ ኢሎም ንጴጥሮስ ፥ ገሊላዊ ኢኻ እሞ፡ ብሓቂ ኻባታቶም ኢኻ፡ ኣዛራርባኻውን ከምቲ ኣዛራርባኦም ይመስል፡ በልዎ። 71ንሱ ግና ፥ ነዚ እትብልዎ ዘሎኹም ሰብኣይ ኣይፈልጦን እየ፡ ኢሉ ኽርገምን ክምሕልን ጀመረ። 72ብኡብኡ ደርሆ ኻልኣይ ሳዕ ነቀወ። ጴጥሮስ ከኣ ነቲ የሱስ ፥ ደርሆ ኽልተ ሳዕ ከይነቀወ፡ ሰለስተ ሳዕ ክትክሕደኒ ኢኻ፡ ዝበሎ ቓል ዘከረ። ነዚ ነገርዚ ሓሲቡ በኸየ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ወን.ማርቆስ ምዕራፍ 15
1ምስ ወግሓ፡ ብኡብኡ ሊቃውንቲ ኻህናት ዓበይትን ጸሓፍትን ብዘሎ እቲ ዋዕላን ምኽሪ መኸሩ፡ ንየሱስ ኣሲሮም ወሰድዎ፡ ኣሕሊፎም ከኣ ንጲላጦስ ሃብዎ። 2ጲላጦስ ድማ። ንስኻዶ ንጉስ ኣይሁድ ኢኻ፧ ኢሉ ሓተቶ። ንሱ፡ ንስኻ እኳ ትብል ኣሎኻ፡ ኢሉ መለሰሉ። 3ሊቃውንቲ ኻህናት ድማ ብዙሕ ከሰስዎ። 4ጲላጦስ ከኣ ከም ብሓድሽ ፥ እንሆ፡ ክንደይ ይኸሱኻ ኣለዉ። እኳዶ ኣይትመልስን ኢኻ፡ ኢሉ ሓተቶ። 5የሱስ ግና፡ ጲላጦስ ክሳዕ ዝግረም፡ ሓንቲ እኳ ኣይመለሰን። 6በብበዓል ድማ ዝለመንዎ ሓደ ኻብቶም እሱራት ይፈትሓሎም ነበረ። 7ምስቶም ጋሮ ዝገበሩ ኣብቲ ጋሮውን ነፍሲ ዝቐተለ፡ በርባን ዝብሃል ተኣሲሩ ነበረ። 8እቶም ህዝቢ ድማ ደይቦም፡ ከምታ ልማዶም ክገብረሎም፡ ክልምንዎ ጀመሩ። 9-10ጲላጦስ ከኣ እቶም ሊቃውንቲ ኻህናት ብቕንኣቶም ኣሕሊፎም ከም ዝሃብዎ ፈሊጡ ነበረ እሞ ፥ ነቲ ንጉስ ኣይሁድ ክፈትሓልኩምዶ ትደልዩ ኣሎኹም፧ ኢሉ መለሰሎም። 11እቶም ሊቃውንቲ ኻህናት ግና ነቶም ህዝቢ፡ ንበርባን ክፈትሓሎም ክልምኑ ኣዕገርገርዎም። 12ጲላጦስ ግና ከም ብሓድሽ ፥ ነዚ ንጉስ ኣይሁድ እትብልዎኸ እንታይ ክገብሮ ትደልዩ ኣሎኹም፧ ኢሉ መለሰሎም። 13ንሳቶም ግና ፥ ስቐሎ፡ ኢሎም ከም ብሓድሽ ጨደሩ። 14ጲላጦስ ከኣ ፥ እንታይ ክፋእከ ገበረ፧ በሎም። ንሳቶም ግና ዓው ኢሎም ፥ ስቐሎ፡ በሉ። 15ጲላጦስ ድማ፡ ፍቓድ እቶም ህዝቢ ኽገብር ስለ ዝፈተወ፡ ንበርባን ፈትሓሎም። ንየሱስ ከኣ ክስቀል ገሪፉ ሃቦም። 16እቶም ዓቀይቲ ድማ ናብ ውሽጢ እቲ ገዛ፡ ማለት ናብቲ ኣዳራሽ ፍርዲ፡ ኣእተውዎ። ንብዘሎ እቲ ጭፍራውን ኣኻኸብዎ። 17ቀይሕ ክዳን ከደንዎ፡ ኣኽሊል እሾኽ ተኒጎምውን ኣብ ርእሱ ደፍኡሉ እሞ፡ 18ዎ ንጉስ ኣይሁድ፡ ከመይ ኢኻ፧ እናበሉ ኢድ ክነስኡሉ ጀመሩ። 19ርእሱ ድማ ብዘንጊ ወቕዕዎ፡ ጡፍ ከኣ በሉሉ፡ ተንበርኪኾምውን ሰገድሉ። 20ምስ ኣላገጹሉ ድማ፡ እቲ ቐይሕ ክዳን ቀንጢጦም ክዳኑ ኸደንዎ። ክሰቕልዎውን ኣውጽእዎ። 21ንሓደ ሓላፍ መገዲ፡ ንስምኦን ቀሬናዊ፡ ኣቦ እስክንድሮስን ሩፎስን፡ ካብ ወፍሪ ኽኣቱ ኸሎ፡ መስቀሉ ኽጸውር ብግዲ ወሰድዎ። 22ናብ ቦታ ጐልጎታ፡— ትርጓሚኣ ፥ ቦታ ኣዕጽምቲ ርእሲ፡— ወሰድዎ። 23ምስ ከርበ እተሓወሰ ወይኒ ድማ ሃብዎ፡ ንሱ ግና ኣይተቐበለን። 24ምስ ሰቐልዎ ድማ፡ ክዳውንቱ ተማቐሉ፡ ንነፍሲ ወከፎም እንታይ ከም ዝበጽሖም ከኣ ዕጭ ኣውደቑ። 25እታ ዝሰቐልዎ ግዜ ኸኣ ሳልሰይቲ ሰዓት ነበረት። 26ንጉስ ኣይሁድ፡ ዝብል ጽሕፈት ክሱውን ኣብ ልዕሊኡ ተጽሒፉ ነበረ። 27ምስኡ ኸኣ ክልተ ኸተርቲ፡ ሓደ ብየማኑ ሓደ ኸኣ ብጸጋሙ፡ ሰቐሉ። 28እቲ ፥ ምስ ዓመጽቲ ተቘጽረ፡ ዝብል ጽሑፍ ተፈጸመ። 29-30እቶም ዝሓልፉ ድማ ርእሶም እናነቕነቑ ፥ ኣየ፡ ኣታ ንቤተ መቕደስ እተፍርሳ ብሰለስተ መዓልቲ እትሃንጻ፡ እስኪ ርእስኻ ኣድሕን፡ ካብ መስቀልውን ውረድ፡ እናበሉ ይጸርፍዎ ነበሩ። 31ከምኡ ኸኣ ሊቃውንቲ ኻህናት ምስ ጽሓፍቲ ንሓድሕዶም ፥ ንኻልኦት ኣድሓነ፡ ንርእሱ ኸድሕን ግና ኣይክእልን። 32ርኢና ኽንኣምንሲ፡ ክርስቶስ ንጉስ እስራኤል ሕጂ ኻብ መስቀል ይውረድ፡ እናበሉ ኣላገጽሉ። እቶም ምስኡ እተሰቕሉውን የላግጽሉ ነበሩ። 33ካብ ሳድሰይቲ ሰዓት ጀሚሩ ኽሳዕ ታስዐይቲ ሰዓት ከኣ ብዘላ እታ ሃገር ጸልመተት። 34ብታስዐይቲ ሰዓት የሱስ ብዓብዪ ድምጺ፡ ኤሎሄ፡ ኤሎሄ፡ ላማ ሰበቕታኒ፧ ኢሉ ጨርሐ። ትርጉሙ ኸኣ፡ ኣምላኸይ፡ ኣምላኸይ፡ ንምንታይ ሓደግካኒ፧ እዩ። 35ካብቶም ኣብኡ ደው ኢሎም ዝሰምዕዎ ኸኣ ሓያሎ ፥ እንሆ፡ ንኤልያስ ይጽውዖ ኣሎ፡ በሉ። 36ሓደ ጐይዩ ፥ ሕደጉ፡ ኤልያስ መጺኡ እንተ ኣውረዶ ንርአ፡ ኢሉ መጺጽ ብስፍነግ መሊኡ ኣብ ዘንጊ ገይሩ ኣስተዮ። 37ሽዑ የሱስ ብዓብዪ ድምጺ ጨርሐ፡ ነፍሱ ኸኣ ወጸት። 38መጋረጃ ቤተ መቕደስ ካብ ላዕሊ ኽሳዕ ታሕቲ ኣብ ክልተ ተተርተረ። 39እቲ ኣብ መንጽር ደው ኢሉ ዝነበረ ሓለቓ ሚእቲ ኸኣ፡ ነፍሱ ኸመይ ኢላ ኸም ዝወጸት፡ ምስ ረኣየ ፥ እዚ ሰብኣይ እዚ ብሓቂ ወዲ ኣምላኽ ነይሩ፡ በለ። 40ኣንስቲ ድማ ብርሑቕ ኰይነን የማዕድዋ ነበራ። ካባታተን ከኣ ማርያም ብዓልቲ መግደላን ማርያም ኣደ ያእቆብ ንእሽቶን ዮሳን ሰሎሜውን ነበራ። 41ንሳተን፡ ኣብ ገሊላ ኸሎ፡ ዝሰዓባኦን ዘገልግላኦን ብዙሓት ካልኦት ኣንስቲውን ምስኡ ናብ የሩሳሌም ዝደየባ እየን። 42ምስ መሰየ፡ መዓልቲ ምድላው፡ ማለት ድሮ ሰንበት፡ ስለ ዝነበረት፡ 43ዮሴፍ፡ ብዓል ኣርማትያስ፡ ሕፉር መኻሪ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽውን ዝጽበያ ዝነበረ፡ መጸ። ደፊሩ ናብ ጲላጦስ ኣትዩ ኸኣ፡ ስጋ የሱስ ለመኖ። 44ጲላጦስ ድማ ቀልጢፉ ብሙማቱ ገረሞ። ነቲ ሓለቓ ሚእቲ ጸዊዑ፡ ድሮዶ ሞይቱ፧ ኢሉ ሓተቶ። 45ካብቲ ሓለቓ ሚእቲ ምስ ተረድአ፡ ስጋኡ ንዮሴፍ ሃቦ። 46ንሱ ድማ፡ ኣውሪዱ በፍታ ዓዲጉ፡ በቲ በፍታ ገነዞ። ኣብ ከውሒ ኣብ እተወቕረ መቓብርውን ኣንበሮ። ነቲ ኣፍ መቓብር ከኣ ብእምኒ ዓጸዎ። 47ማርያም ብዓልቲ መግደላን ማርያም ኣደ ዮሳን ድማ ኣበይ ከም ዘንበርዎ ይርእያ ነበራ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ወን.ማርቆስ ምዕራፍ 16
1ሰንበት ምስ ሓለፈት፡ ማርያም ብዓልቲ መግደላን ማርያም ኣደ ያእቆብን ሰሎሜን ከይደን ክለኽያኦ ቕዲት ዓደጋ። 2ብቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን ንግሆ፡ ጸሓይ ክትበርቕ ከላ፡ ናብ መቓብር መጸ። 3ንሓድሕደን ከኣ፡ እቲ እምንስ ካብቲ ኣፍ መቓብር መን ክግልብጠልና እዩ፧ ተባሃሃላ። 4እቲ እምኒ ኣዝዩ ገዚፍ ነበረ እሞ፡ ንላዕሊ ገጸን እንተ ጠመታ፡ ተገልቢጡ ረኣያ። 5ናብ መቓብር ኣትየን፡ ጻዕዳ ኽዳን እተኸድነ በጽሒ ኣብ የማን ተቐሚጡ ረኣያ፡ ሰምበዳ ኸኣ። 6ንሱ ድማ ፥ ኣይትሰምብዳ፡ ንስኻትክንሲ ነቲ እተሰቕለ የሱስ ናዝራዊ ትደልያ ኣሎኽን። ተንሲኡ፡ ኣብዚ የሎን። እታ ኣብኣ ዘንበርዎ ቦታ፡ እንሃ። 7ኪዳ ደኣ፡ ንደቀ መዛሙርቱን ንጴጥሮስን፡ ናብ ገሊላ ክቕድመኩም እዩ፡ ከምታ ዝበለኩም ከኣ ኣብኡ ኽትርእይዎ ኢኹም፡ ኢልክን ንገራኦም፡ በለን። 8ምንቅጥቃጥን ስምባድን ሒዝወን ነበረ እሞ፡ ካብ መቓብር ወጺአን ሃደማ። ፈሪሀን ስለ ዝነበራ ኸኣ፡ ንሓደ እኳ ኣይነገራን። 9በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን ንግሆ ምስ ተንስኤ፡ ነታ ሾብዓተ ኣጋንንቲ ዘውጽኣላ ማርያም ብዓልቲ መግደላ ቅድም ተራእያ። 10ንሳ ድማ ከይዳ ነቶም ምስኡ ዝነበሩ፡ ክበኽዩን ክጕህዩን ከለዉ፡ ነገረቶም። 11ንሳቶም ከኣ፡ ንሱ ህያው ምዃኑ፡ ንእኣውን ከም እተራእያ ምስ ሰምዑ፡ ኣይኣመኑን። 12ድሕርዚ ንኽልተ ኻባታቶም፡ ናብ ሃገረ ሰብ ክኸዱ ኸለዉ፡ ኣብ መገዲ ብኻልእ መልክዕ ተጋህደሎም። 13ንሳቶም ከኣ ከይዶም ነቶም ካልኦት ነገርዎም፡ ንኣታቶምውን ኣይኣመንዎምን። 14ድሕሪኡ ነቶም ዓሰርተው ሓደ፡ ኣብ መኣዲ ተቐሚጦም ከለዉ፡ ተጋህደ፡ ነቶም ተንሲኡ ዝረኣይዎ ኣይኣመንዎምን እዮም እሞ፡ ስለቲ ዘይምእማኖም ትሪ ልቦምን ከኣ ዘለፎም። 15በሎም ድማ ፥ ናብ ኵላ ዓለም ኪዱ፡ ንብዘሎ ፍጥረት ከኣ ወንጌል ስበኹሉ’። 16ዝኣመነን እተጠምቀን ክድሕን፡ እቲ ዘይኣመነ ግና ክዅነን እዩ። 17ነቶም ዝኣምኑውን እዚ ተኣምራት እዚ ኽስዕቦም እዩ ፥ ብስመይ ኣጋንንቲ ኸውጽኡ፡ ብሓድሽ ልሳን ከኣ ክዛረቡ፡ 18ኣትማን ክሕዙ እዮም፡ ዝቐትል እንተ ሰተዩ ኸኣ፡ ከቶ ኣይክጐድኦምን እዩ፡ ኣእዳዎም ኣብ ሕሙማት ከንብሩ ንሳቶምውን ክሓውዩ እዮም። 19ጐይታና የሱስ ምስ ተዛረቦም፡ ናብ ሰማይ ዓረገ፡ ኣብ የማን ኣምላኽውን ተቐመጠ። 20ንሳቶም ድማ ወጺኦም ኣብ ኵሉ ሰበኹ። ጐይታ ምሳታቶም ይገብር፡ ነቲ ቓልውን ብዝስዕብ ተኣምራት የጽንዖ ነበረ።
ቅዱስ ሉቃስ ዝጸሓፎ ወንጌል
1 2 3 4 5 6 7 8
9 10 11 12 13
14 15 16 17
18 19 20 21
22 23
24
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ወን.ሉቃስ ምዕራፍ 1
1ነዚ ኣባና ብርግጽ እተኣምነ ነገር ዛንታኡ ኽጽሕፉ ብዙሓት ካብ ዝጅምሩ፡ 2እቶም ካብ መጀመርታ በዒንቶም ዝረኣዩን ኣገልገልቲ እቲ ቓል ዝነበሩን ከም ዝነገሩና፡ 3-4ኣታ ኽቡር ቴዎፍሎስ፡ ኣነ ኸኣ ንዅሉ ኣዳላዲለ ኻብ ጥንቲ ስዒበዮ እየ እሞ፡ ሓቂ እቲ እተምሃርካዮ ምህሮ ኣጸቢቕካ ምእንቲ ኽትፈልጥሲ፡ በብተራኡ ኽጽሕፈልካ ይረኣየኒ ኣሎ። 5ብዘመን ሄሮድስ ንጉስ ይሁዳ፡ ካብ ክፍሊ ኣብያ ዘካርያስ ዝብሃል ካህን ነበረ። ካብ ኣዋልድ ኣሮን ከኣ ኤልሳቤጥ እትብሃል ሰበይቲ ነበረቶ። 6ክልቲኦም ከኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጻድቃን ነበሩ። ብዅሉ ትእዛዛት እግዝኣብሄርን ሕጋጋቱን ብዘይ ጕድለት ዝኸዱ ነበሩ። 7ኤልሳቤጥ መኻን ነበረት እሞ፡ ውሉድ ኣይነበሮምን፡ ክልቲኦም ድማ ዕለቶም ዝሓለፈ ኣረገውቲ ነበሩ። 8ኰነ ድማ፡ ብተራ ወገኑ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ግብሪ ኽህነት ክገብር ከሎ፡ 9ከም ልማድ ካህናት ናብ ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ኣትዩ ዕጣን ክዓጥን ብዕጭ በጽሖ። 10በቲ ግዜ ዕጣን ከኣ ዅሉ እቲ ብዙሕ ህዝቢ ብወጻኢ ዀይኑ ይጽሊ ነበረ። 11በቲ ወገን የማን መሰውኢ ዕጣን ድማ መልኣኽ እግዚኣብሄር ደው ኢሉ ተራእዮ። 12ዘካርያስ ከኣ ርእይዎ ሰምበደ ፍርሃትውን ወደቖ። 13እቲ መልኣኽ ድማ በሎ፥ ዘካርያስ፡ ጸሎትካ ተሰሚዑልካ እዩ እሞ፡ ኣይትፍራሕ። ሰበይትኻ ኤልሳቤጥ ወዲ ኽትወልደልካ እያ፡ ስሙውን ዮሃንስ ክትሰምዮ ኢኻ። 14ንሱ ሓጐስን ተድላን ክዀነልካ እዩ፡ ብልደቱ ኸኣ ብዙሓት ክሕጐሱ እዮም። 15ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዓብዪ ክኸውን እዩ እሞ። ወይንን ዘስክር መስተን ከቶ ኣይክሰትን እዩ። ገና ኣብ ከርሲ ኣዲኡ ኸሎ፡ መንፈስ ቅዱስ ክመልኦ እዩ። 16ንብዙሓት ካብ ደቂ እስራኤልውን ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኾም ክመልሶም እዩ። 17ንሱ ብቑዕ ህዝቢ ንእግዚኣብሄር ከዳሉ፡ ልቢ ኣቦታት ናብ ውሉድ፡ ንዘይእዙዛት ድማ ናብ ጥበብ ጻድቃን ክመልስ፡ ብመንፈስ ኤልያስን ብሓይሉን ቀቅድሚኡ ክኸይድ እዩ። 18ዘካርያስ ከኣ ነቲ መልኣኽ፥ ኣነ ኣሪገ እየ፡ ሰበይተይ ከኣ ዕለታ ሓሊፉ እዩ እሞ፡ ነዚ ብምንታይ ክፈልጦ እየ፡ በሎ። 19እቲ መልኣኽ ከኣ መሊሱ በሎ፡ ኣነ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዝቐውም ገብርኤል እየ፡ ክዛረበካን እዚ ድማ ከብስረካን እየ ናባኻ እተለኣኽኩ። 20እንሆ ኸኣ፡ ነቲ ብግዜኡ ዝፍጸም ዘረባይ ስለ ዘይኣመንካ፡ ክሳዕ እታ እዚ ነገርዚ ዝዀነላ መዓልቲ ዓባስ ክትከውን ምዝራብውን ክትስእን ኢኻ። 21እቶም እኩባት ሰብ ከኣ ንዘካርያስ ይጽበይዎ ነበሩ፡ እቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ምድንጓዩውን ኣስተንከሮም። 22ምስ ወጸ ድማ፡ ክዛረቦም ኣይከኣለን። ሽዑ ኣብ መቕደስ ራእይ ከም ዝረኣየ ፈለጡ። ንሱ ድማ ብኢዱ ኣመልከቶም፡ ዓባስ ኰይኑውን ይነብር ነበረ። 23ኰነ ድማ፡ ቅነ ምግልጋሉ ምስ ኣብጽሐ፡ ናብ ቤቱ ኸደ። 24-25ድሕሪ እተን መዓልትታት እቲአን ኤልሳቤጥ ሰበይቱ ጠነሰት እሞ፥ ጐይታይ ንኣይ ብዝረኣየለን መዓልትታት ሕስራነይ ካብ ማእከል ሰብ ምእንቲ ኸርሕቕ፡ ከምዚ ገበረለይ፡ ኢላ ሓሙሽተ ወርሒ ነፍሳ ሓብአት። 26-27ብሳድሰይቲ ወርሒ ገብርኤል መልኣኽ ናብ ናዝሬት እትብሃል ዓዲ ገሊላ ናብ ሓንቲ ድንግል ካብ ኣምላኽ ተላእከ። ንሳ ንዮሴፍ ዝብሃል ሰብኣይ ካብ ቤት ዳዊት እተሓጽየት እያ፡ ስም እታ ድንግል እቲኣ ኸኣ ማርያም እዩ። 28እቲ መልኣኽ ናብኣ ኣትዩ፥ ኣቲ ምልእቲ ጸጋ፡ እግዚኣብሄር ምሳኺ እዩ እሞ፡ ባህ ይበልኪ፡ ካብ ኣንስቲ ብርኽቲ ኢኺ፡ በላ። 29ንሳ ምስ ረኣየቶ፡ በቲ ዘረባኡ ሰምበደት፥ እዚ ኸምዚ ዝበለ ሰላምታስ እንታይ ኰን ይኸውን፧ ኢላውን ሓሰበት። 30እቲ መልኣኽ ከኣ በላ፡ ማርያም፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጸጋ ረኺብኪ ኢኺ እሞ፡ ኣይትፍርሂ። 31እንሆ፡ ክትጠንሲ ወዲውን ክትወልዲ፡ ስሙ ኸኣ የሱስ ክትሰምይዮ ኢኺ። 32ንሱ ዓብዪ ክኸውን፡ ወዲ ልዑልውን ክብሃል እዩ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ዝፋን ኣቦኡ ዳዊት ክህቦ እዩ። 33ንሱ ኣብ ቤት ያእቆብ ንዘለኣለም ክነግስ እዩ፡ መንግስቱ ኸኣ መወዳእታ የብላን። 34ማርያም ድማ ነቲ መልኣኽ፥ እዚኸ፡ ሰብኣይ ከይፈለጥኩስ፡ ከመይ ኢሉ ክኸውን እዩ፡ በለቶ። 35እቲ መልኣኽ ከኣ መሊሱ፡ መንፈስ ቅዱስ ክወርደኪ ሓይሊ ልዑልውን ከጽልለኪ እዩ። ስለዚኸኣ እቲ ዝውለድ ቅዱስ፡ ወዲ ኣምላኽ ክብሃል እዩ። 36-37እንሆ፡ ኤልሳቤጥ እታ ዘመድኪ እኳ፡— ንኣምላኽ ዝሰኣኖ ነገር ስለ ዘየልቦ፡— ኣብ እርግናኣ ወዲ ጠኒሳ ኣላ፡ ነታ መኻን እትብሃል እዚ ወርሒ እዚ ሳድሳያ እዩ፡ በላ። 38ማርያም ከኣ፥ እኔኹ፡ ኣነ ባርያ እግዚኣብሄር፡ ከምቲ ዘረባኻ ይኹነለይ፡ በለት። እቲ መልኣኽ ድማ ካብኣ ሓለፈ። 39በቲ ቕነ እቲ ማርያም ተንስአት፡ ተቐላጢፋ ድማ ንዝባን ይሁዳ ናብ ሓንቲ ዓዲ ደየበት። 40ናብ ቤት ዘካርያስ ኣትያ ኸኣ፡ ንኤልሳቤጥ ሰላም በለታ። 41ኰነ ድማ፡ ኤልሳቤጥ ቃል ሰላምታ ማርያም ምስ ሰምዐት፡ እቲ ሕጻን ኣብ ከርሳ ተሰራሰረ። ንኤልሳቤጥ ድማ መንፈስ ቅዱስ መልኣ፡ 42ብዓብዪ ድምጺውን ዓው ኢላ በለት፥ ንስኺ ኻብ ኣንስቲ ብርኽቲ ኢኺ፡ ፍረ ኸርስኺውን ብሩኽ እዩ። 43ኣደ ጐይታይ ናባይ ክትመጺኸ፡ እዚ ኻበይ ኰነለይ፧ 44እንሆ፡ ድምጺ ሰላምታኺ ምስ ሰማዕኩ ኣብ ከርሰይ ሕጻን ተሰራሰረ። 45እቲ ኻብ እግዚኣብሄር እተነግረላ ቓል ክፍጸም እዩ እሞ፡ እታ ዝኣመነት ብርኽቲ እያ። 46ማርያም ድማ በለት ንፍሰይ ንእግዚኣብሄር ተዕብዮ፡ 47-49መንፈሰይ ከኣ ብኣምላኽ፡ በቲ መድሓንየይ፡ ባህ ይብሎ። ውርደት ባርያኡ ስለ ዝረኣየ፡ እቲ ሓያል ዓብዪ ነገር ገይሩለይ እዩ እሞ፡ ስሙ ቅዱስ እዩ። እንሆ፡ ካብ ሕጂ ዅሎም ወለዶ ብጽእቲ ኽብሉኒ እዮም። 50ምሕረቱውን ነቶም ዝፈርህዎ ንውሉድ ወለዶ ይነብር። 51ሓያሊ ብቕልጽሙ ገበረ፡ ንዅሩዓት ብሓሳብ ልቦም ዘረዎም። 52ንሓያላት ካብ ዝፋውንቶም ኣውረዶም፡ ንተዋረዱ ኸኣ ልዕል ኣበሎም። 53ንጥሙያት ብጽቡቕ ነገር ኣጽገቦም፡ ንሃብታማትውን ጥራይ ኢዶም ሰደዶም። 54-55ከምቲ ነቦታትና፡ ንኣብርሃምን ንዘርኡን ዝነገሮም፡ ክሳዕ ዘለኣለም ምሕረት እናዘከረ፡ ንእስራኤል ባርያኡ ተቐበሎ። 56ማርያም ኣስታት ሰለስተ ወርሒ ዝኣክል ምስኣ ወርሐት፡ ደሓር ከኣ ናብ ቤታ ተመልሰት። 57ኤልሳቤጥ ክትወልድ ኣዋርሓ በጽሐ ወዲውን ወለደት። 58ጐረባብታን ኣዝማዳን ድማ፡ እግዚኣብሄር ምሕረቱ ኸም ዘዕበየላ ሰሚዖም፡ ምስኣ ተሓጐሱ። 59ኣብ ሳምነይቲ መዓልቲ ድማ ዀነ፡ ነቲ ሕጻን ክገርዝዎ መጹ፡ ብስም ኣቦኡ ኸኣ ዘካርያስ ሰመይዎ። 60ሽዑ ኣዲኡ፡ ኣይፋሉን፡ ዮሃንስ እዩ ዝስመ፡ ኢላ መለሰት። 61ንሳቶም ከኣ፡ ካብ ዓሌትኪ በዚ ስም እዚ እተሰምየ የልቦን፡ በልዋ 62ነቦኡ ድማ እንታይ ክስመ ኸም ዝደሊ፡ እናኣመልከቱ ሓተትዎ። 63ንሱ ንእሽቶ ሰሌዳ ለሚኑ፡ ስሙ ዮሃንስ እዩ፡ ኢሉ ጸሓፈ። ኵሎም ከኣ ተገረሙ። 64ብኡብኡ ኣፉ ተኸፈተ፡ ልሳኑውን ተፈትሐ፡ ንኣምላኽ እናኣመስገኖ ኸኣ ተዛረበ። 65ኣብ ኵሎም ጐረባብቶም ከኣ ፍርሃት ኰነ፡ ብዘሎ እዚ ነገርዚ ኣብ ኵላ ዝባን ይሁዳ ተወርየ፡ 66ዝሰምዕዎ ዘበሉ ኸኣ፥ እዚ ህጻን እዝስ እንታይ ኰን ክኸውን እዩ፧ ኢሎም ኣብ ልቦም ሓዝዎ። ኢድ እግዚኣብሄር ድማ ምስኡ ነበረት። 67ነቦኡ ዘካርያስ ድማ መንፈስ ቅዱስ መልኦ፡ ከምዚ ኢሉውን ተነበየ፥ 68ንህዝቡ ስለ ዝበጽሖምን እተበጀዎምን፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ይባረኽ። 69-70ከምቲ በቶም ካብ ጥንቲ ዝነበሩ ብኣፍ ቅዱሳት ነብያት እተዛረቦ፡ ኣብ ቤት ዳዊት ባርያኡ ቀርኒ ምድሓን ኣተንስኣልና፡ 71ካብ ጸላእትናን ካብ ኢድ ኵሎም ዝጸልኡናን ከድሕነና፡ 72ምስ ኣቦታትና ምሕረት ክገብር፡ ነቲ ቅዱስ ኪዳኑ ኽዝክሮ፡ 73እቲ ነቦና ኣብርሃም ዝመሓለሉ ማሕላ ክህበና፡ 74-75ብቕድስናን ብጽድቅን ብዅሉ ዕለትና ኣብ ቅድሚኡ ኻብ ኢድ ጸላእትና ድሒንና ብዘይ ፍርሃት ከነምልኾ ኢና። 76-77ኣታ ሕጻን፡ ንስኻ ድማ ንህዝቡ ብሕድገት ሓጢኣቶም ፍልጠት ምድሓን ክትህቦም፡ መገዲ ኸተቕንዕ፡ ቀቅድሚ ጐይታ ኽትከይድ ኢኻ እሞ፡ ነብዪ ልዑል ክትብሃል ኢኻ። 78-79ነእጋርና ናብ መገዲ ሰላም ከቕንዕ፡ ነቶም ኣብ ጸልማትን ኣብ ድነ ሞትን ተቐሚጦም ዘለዉ ከብርህ፡ ስለ ርሕሩሕ ምሕረት ኣምላኽና፡ ብእኡ ኻብ ላዕሊ በርቂ ጸሓይ ክበጽሓና እዩ። 80እቲ ሕጻን ዓበየ፡ ብመንፈስ ከኣ ደልደለ። ክሳዕ እታ ንእስራኤል እተገልጸላ መዓልቲውን ኣብ በረኻ ይነብር ነበረ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ወን.ሉቃስ ምዕራፍ 2
1ኰነ ድማ፡ በቲ ቕነ እቲ ዅሉ ዓለም ክጸሓፍ፡ ካብ ቄሳር ኣውጉስጦስ ትእዛዝ ወጸ። 2እዚኣ እታ ቀሬኔዎስ ኣብ ሶርያ ተሸይሙ ኸሎ ዝዀነት ቀዳመይቲ ጽሕፈት እያ። 3ሽዑ ነፍሲ ወከፍ ክጸሓፍ፡ ኵሉ ነናብ ዓዱ ኸደ። 4-5ዮሴፍ ድማ፡ ካብ ቤት ዳዊትን ካብ ዓሌቱን ስለ ዝነበረ፡ ካብ ገሊላ ኻብ ዓዲ ናዝሬት ምስታ ጠኒሳ ዘላ ማርያም ሕጽይቱ ናብ ቤት-ልሄም እትብሃል ዓዲ ዳዊት ናብ ይሁዳ ክጸሓፍ ደየበ። 6ኰነ ድማ፡ ኣብኡኸለዉ፡ ግዜ ሕርሳ በጽሐ። 7በዅሪ ወዳ ወለደት ብዓለባውን ጠቕለለቶ፡ ኣብቲ ማሕደር ኣጋይሽ ስፍራ ስለ ዘይነበሮም ድማ፡ ኣብ መብልዕ ማል ኣደቀሰቶ። 8ኣብታ ምድሪ እቲኣ ብለይቲ ማሎም ክሕልዉ ኣብ መሮር ዝሓደሩ ጓሶት ነበሩ። 9መልኣኽ እግዚኣብሄር ከኣ ኣብ ጥቓኦም ደው በለ፡ ክብሪ እግዚኣብሄር ኣብ ዙርያኦም ኣብርሀ፡ ብዙሕ ፍርሃት ከኣ ፈርሁ። 10-11እቲ መልኣኽ ድማ፡ እንሆ፡ ሎሚ መድሓኒ ኣብ ዓዲ ዳዊት ተወሊድልኩም ስለ ዘሎ፡— ንሱ ኸኣ ክርስቶስ ጐይታ እዩ፡— ንዅሉ ህዝቢ ዝኸውን ዓብዪ ሓጐስ አበስረኩም ኣሎኹ እሞ፡ ኣይትፍርሁ። 12ምልክት ድማ እዚ ይኹንኩም፡ ኣብ መብልዕ ማል ብዓለባ እተጠቕለለ ሕጻን ደቂሱ ኽተረኽቡ ኢኹም፡ በሎም። 13-14ብዙሓት ሰራዊት ሰማይ ድማ ብድንገት ምስቲ መልኣኽ ተጸምቢሮም፥ ክብሪ ንኣምላኽ ኣብ ላዕሊ፡ ሰላም ከኣ ኣብ ምድሪ ኣብ መንጎ እቶም ስምረት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት፡ እናበሉ ንኣምላኽ ኣመስገኑ። 15ኰነ ድማ፡ እቶም መላእኽቲ ኻባታቶም ናብ ሰማይ ምስ ደየቡ፡ እቶም ጓሶት ንሓድሕዶም፥ እዚ እግዚኣብሄር ዝገለጸልና ኽውን ነገር ክንርኢ ንዑናይ፡ ናብ ቤት-ልሄም ንኺድ፡ ተባሃሃሉ። 16ቀልጢፎም ከኣ ኸዱ፡ ንማርያምን ንዮሴፍን ነቲ ሕጻን ከኣ ኣብ መብልዕ ማል ደቂሱን ረኸቡ። 17እዚ ምስ ረኣዩ፡ ብዛዕባ እቲ ሕጻን እተነግረሎም ነገር ኣውረዩ። 18ዝሰምዑ ዘበሉ ዅሎም ከኣ በቲ እቶም ጓሶት ዝነገርዎም ተገረሙ። 19ማርያም ግና ነዚ ነገርዚ ዅሉ ኣብ ልባ ተዋህልሎን ትሓስቦን ነበረት። 20እቶም ጓሶት ድማ ከምቲ እተባህለሎም፡ በቲ ዝሰምዕዎን ዝረኣይዎን ኵሉ ንኣምላኽ እናኽበሩን እናወደሱን ተመልሱ። 21ክገዝርዎ ሾሞንተ መዓልቲ ምስ መልአ ድማ፡ ከምቲ መልኣኽ ኣብ ከርሲ ኸይተሃንጸ ኸሎ ዝሰመዮ፡ ስሙ የሱስ ኢሎም ሰመይዎ። 22-24ከምቲ ሕጊ መሴ፡ መዓልትታት ምንጻሆም ምስ መልኣ፡— ከምቲ ኣብ ሕጊ እግዚኣብሄር፥ ማሕጸን ወላዲቱ ዝኸፈተ ዘበለ ተባዕታይ ንእግዚኣብሄር እተቐደሰ ይብሃል፡ ኢሉ እተጻሕፈ፡— ከምቲ ኣብ ሕጊ እግዚኣብሄር እተባህለ ኸኣ፡ ክልተ ባሬቶ ወይስ ክልተ ጫጩት ርግቢ መስዋእቲ ምእንቲ ክህቡ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከቝምዎ ናብ የሩሳሌም ወሰድዎ። 25እንሆ ድማ፡ ኣብ የሩሳሌም ስምኦን ዝብሃል ሰብኣይ ነበረ። እዚ ሰብኣይ እዚ ጻድቕ፡ ንኣምላኽ ዝፈርህ፡ ምጽንናዕ እስራኤል ዝጽበ ነበረ፡ መንፈስ ቅዱስ ድማ ነበሮ። 26ነቲ ቕቡእ እግዚኣብሄር ከይረኣዮ፡ ሞት ከም ዘይርኢ ድማ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ተገሊጽሉ ነበረ። 27ብመንፈስ ከኣ ናብ ቤተ መቕደስ መጸ። ነቲ የሱስ ሕጻን፡ ወለዱ ኸም ልማድ ሕጊ ክገብሩሉ ምስ ኣእተውዎ፡ 28ንሱ ድማ ኣብ ኢዱ ሓቘፎ፡ ንኣምላኽውን ኣመስገነ እሞ፥ 29-32ዎ ጐይታይ፡ ነቲ ንምብራህ ኣህዛብ ብርሃን፡ ንህዝብኻ እስራኤልውን ክብረት ምእንቲ ክኸውን፡ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝቢ ዘዳሎኻዮ ምድሓንካ ኣዒንተይ ካብ ረኣያስ፡ ሕጂ ኸምቲ ዘረባኻ ንባርያኻ ብሰላም ተፋንዎ ኢኻ፡ በለ። 33ዮሴፍን ኣዲኡን ከኣ በቲ ብዛዕባኡ እተባህለ ነገር ተገረሙ። 34ስምኦን ከኣ ባረኾም፡ ነዲኡ ማርያም ድማ፥ እንሆ፡ እዚ ንብዙሓት ኣብ እስራኤል ንምዳቖምን ምትንሳኦምን ንትእምርቲ ምጽራርውን ንቡር እዩ። 35ንኣኺ ድማ፡ ሓሳብ ልቢ ብዙሓት ምእንቲ ክገሃድ፡ ናብ ነፍስኺ ሰይፊ ኽኣቱ እዩ፡ በላ። 36ካብ ወገን ኣሴር ድማ ሃና፡ ጓል ፋኑኤል፡ ንሳ ኣዝያ ዝኣረገት ነብዪት ነበረት። — ካብ ድንግልናኣ ሒዛ ምስ ሰብኣያ ሾብዓተ ዓመት ገበረት። 37ንሳ ሰማንያን ኣርባዕተን ዓመት ዝዕድሚኣ መበለት እያ።— ካብ ቤተ መቕደስ ከይወጸት፡ ብጾምን ብጸሎትን ለይትን መዓልትን ንኣምላኽ ተገልግል ነበረት። 38ንሳውን ሽዑ ናብኡ መጺኣ ንኣምላኽ ኣመስገነቶ። ነቶም ምድሓን የሩሳሌም ዝጽበዩ ዅሎም ከኣ ብዛዕባኡ ተዛረበቶም። 39ከምቲ ሕጊ እግዚኣብሄር ኵሉ ምስ ፈጸሙ ኸኣ፡ ንገሊላ ናብ ናዝሬት ዓዶም ተመልሱ። 40እቲ ሕጻን ዓበየ፡ ብመንፈስ ድማ ደልደለ፡ ጥበብ ከኣ መልኦ፡ ጸጋ ኣምላኽውን ኣብኡ ነበረ። 41እቶም ወለዱ ንበዓል ፋስጋ በብዓመት ናብ የሩሳሌም ይኸዱ ነበሩ። 42ንሱ ወዲ ዓሰርተው ክልተ ዓመት ምስ ኰነ ኸኣ፡ ከምቲ ስርዓት በዓል ናብ የሩሳሌም ደየቡ። 43እተን መዓልትታት ኣእኪሎም ክምለሱ ኸለዉ ኸኣ፡ የሱስ፡ እቲ ቘልዓ፡ ኣብ የሩሳሌም ተረፈ። ዮሴፍን ኣዲኡን ግና እዚ ኣይፈለጡን። 44ምስ ሰብ መገዲ ዘሎ መሲልዎም፡ መገዲ ሓንቲ መዓልቲ ኸዱ፡ ኣብ ኣዝማዶምን ኣብ ዝፈልጥዎምን ከኣ ደለይዎ። 45ምስ ሰኣንዎ ኸኣ፡ ክደልይዎ ናብ የሩሳሌም ተመልሱ። 46ኰነ ድማ፡ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ኣብ ማእከል መምህራን ተቐሚጡ እናሰምዖምን እናሓተቶምን ረኸብዎ። 47ዝሰምዕዎ ዘበሉ ኸኣ በቲ ምስትውዓሉን ምላሹን ተገረሙ። 48ምስ ረኣይዎ ድማ ሰምበዱ። ኣዲኡ ኸኣ፡ በል ወደይ፡ ስለምንታይከ ኸምዚ ገበርካና፧ እንሆ፡ ኣቦኻን ኣነን እናጕሄና ንደልየካ ኔርና፡ በለቶ። 49ንሱ ኸኣ፥ ንምንታይሞ እትደልዩኒ፧ ኣብቲ ናይ ኣቦይ ዘበለ ክኸውን ከም ዝግብኣኒዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ በሎም። 50ንሳቶም ግና ነዚ ዝበሎም ዘረባ ኣየስተውዓልዎን። 51ምሳታቶም ወሪዱ ናብ ናዝሬት መጸ፡ ይእዘዞምውን ነበረ። ኣዲኡ ድማ ነዚ ዅሉ ነገር ኣብ ልባ ተዋህልሎ ነበረት። 52የሱስ ከኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን ብጥበብን ብቝመትን ብጸጋን ዓበየ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ወን.ሉቃስ ምዕራፍ 3
1ኣብ መበል ዓሰርተው ሓሙሽተ ዓመቱ ንግዝኣት ቄሳር ጢቤርዮስ፡ ጶንጥዮስ ጲላጦስ ኣብ ይሁዳ ተሸይሙ ኸሎ፡ ሄሮዶስ ብዓል ርባዕ ሽመት ድማ ኣብ ገሊላ፡ ፊልጶስ ሓዉ ብዓል ርባዕ ሽመትውን ኣብ ኢጣልያን ኣብ ሃገር ጥራኮኒቲስን፡ ሊሳንያስ ብዓል ርባዕ ሽመት ከኣ ኣብ ኣቢለኔ ተሸይሞም ከለዉ፡ 2ሊቃውንቲ ኻህናትውን ሃናን ቀያፋን ከለዉ፡ ቃል ኣምላኽ ናብ ዮሃንስ ወዲ ዘካርያስ ኣብ በረኻ መጸ። 3ንሱ ድማ ጥምቀት ንስሓ ንሕድገት ሓጢኣት እናሰበኸ፡ ኣብ ኵሉ ወሰን ዮርዳኖስ ዞረ። 4ከምቲ ኣብ ቃል መጽሓፍ ነብዪ ኢሳይያስ እተጻሕፈ፡ ከምዚ ዝብል፥ ቃል ኣዋጅ ነጋሪ ኣብ በረኻ ዝእውጅ፥ ጐደና እግዚኣብሄር ጽረጉ መገዱ ድማ ኣቕንዑ። 5ሽንጭሮ ዘበለ ልዕል ይበል፡ ከረንን ኵርባን ዘበለ ድማ ትሕት ይበል፡ ቄናን ከኣ ይቕናዕ፡ ድንጉርውን ሰጥ ዝበለ መገዲ ይኹን። 6ስጋ ዝለበሰ ዅሉ ምድሓን ኣምላኽ ክርኢ እዩ። 7ነቶም ንሱ ከጥምቖም ዝመጹ ሰባት ድማ ይብሎም ነበረ፥ ኣቱም ውላድ ተመን፡ ካብቲ ዝመጽእ ቍጥዓ ኽትመልቁኸ፡ መን ሓበረኩም፧ 8እምበኣርስኸ ንንስሓ ዝበቅዕ ፍረ ግበሩ። ካብዘን ኣእማን እዚአን ንኣብርሃም ውሉድ ከተንሳኣሉ ንኣምላኽ ከም ዝከኣሎ፡ እብለኩም ኣሎኹ እሞ፡ ብርእስኹም፥ ኣብርሃም ኣቦ ኣሎና ምባል ኣይትጀምሩ። 9ካብ ሕጂ ኸኣ ማሕጸ ኣብቲ ሱር ኣእዋም ተነቢሩ ኣሎ። ስለዚ ጽቡቕ ፍረ ዘይፈሪ ዘበለ ዅሉ ኦም ይቑረጽ ናብ ሓዊ ኸኣ ይድርበ እዩ። 10እቶም ህዝቢ ድማ፥ እንታይ እሞ ንግበር፡ ኢሎም ሓተትዎ። 11ንሱ ኸኣ፥ ክልተ ቐምሽ ዘለዎ ነቲ ዘይብሉ ይምቀሎ፡ ቀለብ ዘለዎ ድማ ከምኡ ይግበር፡ ኢሉ መለሰሎም። 12ተገውቲ ድማ ክጥመቑ መጺኦም፥ መምህር፡ እንታይ ንግበር፧ በልዎ። 13ንሱ ኸኣ፥ ካብቲ እተኣዘዘልኩም ሓለፋ ኣይትውሰዱ፡ በሎም። 14ዓቀይቲውን፥ ንሕናኸ እንታይ ንግበር፧ ኢሎም ሓተትዎ። ንሱ ኸኣ፥ ንሓደ እኳ ኣይትግፍዑ፡ ብሓሶትውን ኣይትኽሰሱ፡ ደደመወዝኩም ከኣ ይእከልኩም፡ በሎም። 15እቶም ህዝቢ ኽጽበዩ ኸለዉ፡ ኵሎም ከኣ ብዛዕባ ዮሃንስ፥ ክርስቶስ ኰን ይኸውን፧ ኢሎም በብልቦም ክሓስቡ ኸለዉ ድማ፡ 16ዮሃንስ መለሰ ንዅሎም በሎም፡ ኣነስ ብማይ እየ ዘጥምቐኩም ዘሎኹ፡ እቲ ኻባይ ዝብርትዕ፡ ኣነ ስራኽ ኣሳእኑ ንምፍታሕ ዘይበቅዕ ግና ይመጽእ ኣሎ። ንሱ ብመንፈስ ቅዱስን ብሓውን ከጥምቐኩም እዩ። 17መስአኡ ኣብ ኢዱ ሒዙ ዓውዱ የጽሪ፡ ነቲ ስርናይ ኣብ ቆፎኡ ይእክቦ፡ ነቲ ሓሰር ግና ብዘይጠፍእ ሓዊ ኸንድዶ እዩ። 18ብብዙሕ ካልእ ምዕዶ እናመዓዶምውን፡ ነቶም ህዝቢ ኣበሰሮም። 19ንሄሮድስ ብዓል ርባዕ ሽመት ድማ ብዛዕባ ሄሮድያዳ ሰበይቲ ፊልጶስ ሓዉን ብዛዕባ እቲ ሄሮድስ ዝገበሮ ዘበለ ዅሉ ኽፉእ ነገርን ምስ ገንሖ፡ 20ሄሮድስ ኣብ ልዕል እዚ ዅሉ ወሲኹ፡ ንዮሃንስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዓጸዎ። 21ኰነ ድማ፡ እቲ ህዝቢ ዅሉ ምስ ተጠምቀ፡ የሱስውን ተጠሚቑ ኽጽሊ ኸሎ፡ ሰማይ ተኸፍተ። 22መንፈስ ቅዱስ ከኣ በርኣያ ስጋ ኸም ርግቢ ኣብ ልዕሊኡ ወረደ፡ ንስኻ ብኣኻ ዝሰመርኩ ፍትዊ ወደይ ኢኻ፡ ዝብል ድምጺውን ካብ ሰማይ መጸ። 23የሱስ ባዕሉ ክምህር ምስ ጀመረ፡ ኣስታት ወዲ ሰላሳ ዓመት ኣቢሉ ነበረ። ወዲ ዮሴፍ ከም ዝዀነ ኸኣ ይመስሎም ነበረ፡ ወዲ ኤሊ፡ 24ወዲ ማታት፡ ወዲ ሌዊ፡ ወዲ መልኪ፡ ወዲ ያና፡ ወዲ ዮሴፍ፡ 25ወዲ ማጣትዩስ፡ ወዲ ኣሞጽ ወዲ ናሆም፡ ወዲ ኣስሊ፡ ወዲ ናጌ፡ 26ወዲ መኣት፡ ወዲ ማታትዩስ፡ ወዲ ሴሜይ፡ ወዲ ዮሴፍ፡ ወዲ ይሁዳ፡ 27ወዲ ዮና፡ ወዲ ሬሳ፡ ወዲ ዘሩባቤል፡ ወዲ ሰላትኤል፡ ወዲ ኔሪ፡ 28ወዲ ሜልኪ፡ ወዲ ኣዲ፡ ወዲ ቆሳም፡ ወዲ ኤልማዳም፡ ወዲ ኤር፡ 29ወዲ ዮሴ፡ ወዲ ኣልኣዛር፡ ወዲ ዮራም፡ ወዲ ማጣት፡ ወዲ ሌዊ፡ 30ወዲ ስምኦን ወዲ ይሁዳ፡ ወዲ ዮሴፍ፡ ወዲ ዮናን፡ ወዲ ኤልያቂም፡ 31ወዲ ሜልያ፡ ወዲ ማይናን፡ ወዲ ማጣት፡ ወዲ ናታን፡ ወዲ ዳዊት፡ 32ወዲ እሴይ፡ ወዲ እዮቤድ፡ ወዲ ቦኤዝ፡ ወዲ ሰልሞን፡ ወዲ ነኣሶን፡ 33ወዲ ኣሚናዳብ፡ ወዲ ኣራም፡ ወዲ ኤስሮም፡ ወዲ ፋሬስ፡ ወዲ ይሁዳ፡ 34ወዲ ያእቆብ፡ ወዲ ይስሃቅ፡ ወዲ ኣብርሃም፡ ወዲ ታራ፡ ወዲ ናሆር፡ 35ወዲ ሳሮክ፡ ወዲ ራጉ፡ ወዲ ፋሌቅ፡ ወዲ ኣቤር፡ ወዲ ሳላ፡ 36ወዲ ቃይናን፡ ወዲ ኣርፋክሳድ፡ ወዲ ሴም፡ ወዲ ኖህ፡ ወዲ ላሜክ፡ 37ወዲ ማቱሳላ፡ ወዲ ሄኖክ፡ ወዲ ያሬድ፡ ወዲ መላልኤል፡ ወዲ ቃይናን፡ 38ወዲ ሄኖስ፡ ወዲ ሴት፡ ወዲ ኣዳም፡ ወዲ ኣምላኽ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ወን.ሉቃስ ምዕራፍ 4
1የሱስ መንፈስ ቅዱስ መሊእዎ ኻብ ዮርዳኖስ ተመልሰ፡ ብመንፈስ ከኣ ናብ በረኻ ተመርሐ። 2ብድያብሎስ ድማ ኣርብዓ መዓልቲ ተፈተነ። በተን መዓልትታት እቲኣተን ገለ እኳ ኣይበልዐን። ንሳተን ምስ ተወድኣ፡ ጠመየ። 3ድያብሎስ ድማ፡ ወዲ ኣምላኽ እንተ ዄንካስ፡ እዚ እምኒ እንጌራ ክኸውን ኣዝዝ፡ በሎ። 4የሱስ ከኣ፡ ሰብ ብዅሉ ቓል ኣምላኽ እምበር፡ ብእንጌራ ጥራይ ኣይነብርን፡ ጽሑፍ እዩ፡ ኢሉ መለሰሉ። 5ድማ ድያብሎስ ናብ ነዊሕ ከረን ኣደየቦ፡ ብቕጽበት ዓይኒ ኸኣ መንግስትታት ኵላ ዓለም ኣርኣዮ። 6ሽዑ ድያብሎስ፥ እዚ ስልጣን እዝን ብዘሎ ኽብረተንን ንኣይ ተውሂቡኒ እዩ እሞ፡ ኣነ ንዝደለኹ እህቦ፡ ንኣኻውን ክህበካ እየ፡ 7ስለዚ ንስኻ ኣብ ቅድመይ እንተ ሰገድካ፡ ኵሉ ናትካ ክኸውን እዩ፡ በሎ። 8የሱስ ከኣ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ስገድ፡ ንእኡ በይኑ ኸኣ ኣምልኽ፡ ጽሑፍ እዩ እሞ፡ ካባይ ርሓቕ፡ ሰይጣን፡ ኢሉ መለሰሉ። 9-11ናብ የሩሳሌም ወሰዶ፡ ኣብ ገምገም ቤተ መቕደስ ደው ኣቢሉ ኸኣ፥ ንመላእኽቱ ክሕልዉኻ ይእዝዘልካ፡ እግርኻ ብእምኒ ኸይትዕንቀፍ ከኣ በእዳዎም የልዕሉኻ፡ ጽሑፍ እዩ እሞ፡ ወዲ ኣምላኽ እንተ ዄንካስ፡ ካብዚ ንታሕቲ ተደርበ፡ በሎ። 12የሱስ ድማ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣይትፈታትኖ፡ ብሁል እዩ፡ ኢሉ መለሰሉ። 13ሽዑ ድያብሎስ ፈተናኡ ዘበለ ወድአ፡ ንግዜኡ ሓደጎ። 14የሱስ ድማ ብሓይሊ መንፈስ ናብ ገሊላ ተመልሰ። ወሪኡ ኸኣ ኣብቲ ኣብ ጐደቦኡ ዘሎ ዅሉ ዓድታት ተሰምዐ። 15ንሱ ኸኣ ኣብ ቤት ጸሎቶም መሃረ፡ ኵሎምውን ይንእድዎ ነበሩ። 16ናብታ ዝዓበየላ፡ ናብ ናዝሬት ድማ መጸ፡ ብመዓልቲ ሰንበት ከኣ ከምቲ ልማዱ ናብ ቤት ጸሎት ኣተወ፡ ከንብብውን ተንስአ። 17መጽሓፍ ነብዪ ኢሳይያስ ከኣ ሃብዎ። ነቲ መጽሓፍ እንተ ቐልዖ ኸኣ፡ እዚ እተጻሕፎ ኽፍሊ ረኸበ፥ 18ንድኻታት ከበስሮም ስለ ዝቐብኣኒ፡ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕለይ እዩ። ንምሩኻት ክምልስ፡ ንዕዉራት ምርኣይ፡ ንግፉዓት ከኣ ምውጻእ ሓራ ክሰብኽ፡ 19ሕርይቲ ዓመት እግዚኣብሄር ክሰብኽ ለኣኸኒ። 20ነቲ መጽሓፍ ዓጺፉ ኸኣ፡ ነቲ ኣገልጋሊ ሂብዎ ተቐመጠ። ኣብታ ቤት ጸሎት ዝነበሩ ዅሎም ድማ ኣዒንቶም ናብኡ ይጥምታ ነበራ። 21ሽዑ፥ እዚ ጽሑፍ እዚ ሎሚ ኣብ ኣእዛንኩም ተፈጸመ፡ ክብሎም ጀመረ። 22ኵሎም ከኣ መስከሩሉ፡ በቲ ኻብ ኣፉ ዝወጽእ ዘረባ ጸጋ ድማ ይግረሙ ነበሩ፥ እዝስ ወዲ ዮሴፍ ደይኰነን፧ ከኣ ይብሉ ነበሩ። 23ንሱ ድማ፥ ብርግጽ እዚ ምስላ እዚ፥ ፈዋሳይ ንርእስኻ ፈውስ፡ እቲ ኣብ ቅፍርናሆም ዝገበርካዮ ኸም ዝሰማዕና፡ ኣብዚ ኣብ ዓድኻውን ከምኡ ግበር፡ ትብሉኒ ኣሎኹም፡ በሎም። 24በለ ኸኣ፥ ነብዪ ኣብ ዓዱ ከቶ ኸም ዘይከብር፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 25ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፥ ብዘመን ኤልያስ እቲ ሰማይ ሰለስተ ዓመትን ሽዱሽተ ወርሕን እተዓጽወሉ፡ ኣብ ኵላ እታ ምድሪ ኸኣ ዓብዪ ጥሜት ዝዀነሉ ወርሓት፡ ኣብ እስራኤል ብዙሓት መበለታት ነይረን፡ 26ኤልያስ ከኣ ናብ ሓንቲ መበለት ሰበይቲ ኣብ ሰራጵታ ናይ ሲዶና እምበር፡ ናብ ሓንቲ ኻባታተንሲ ኣይተላእከን። 27ብዘመን ነብዪ ኤልሳእውን ኣብ እስራኤል ብዙሓት ለምጻማት ነይሮም፡ ንእማን ሶርያዊ ጥራይ ደኣ እምበር፡ ካባታቶምሲ ሓደ እኳ ኣይነጽሀን። 28ኣብታ ቤት ጸሎት ዝነበሩ ዀሎም እዚ ምስ ሰምዑ፡ ኣዝዮም ኰረዩ። 29ተንሲኦም ካብ ዓዲ ናብ ወጻኢ ኣውጽእዎ፡ ከጽድፍዎ ኸኣ ናብ ገምገም እታ ዓዶም ተሰሪሓትሉ ዘላ ኸረን ወሰድዎ። 30ንሱ ግና ብማእከሎም ሓሊፉ ኸደ። 31ድሕርዚ ናብ ቅፍርናሆም ከተማ ገሊላ ወረደ፡ ብሰንበትውን ይምህሮም ነበረ። 32ዘረባኡ ብስልጣን ስለ ዝነበረ ድማ፡ ብምህሮኡ ተገረሙ። 33ኣብታ ቤት ጸሎት ከኣ ርኹስ መንፈስ ዝሓደሮ ሰብኣይ ነበረ፡ ብዓብዪ ድምጺ ኸኣ፥ 34ኣየ፡ የሱስ ናዝራዊ፡ ምሳኻ እንታይ ኣሎና፧ ከተጥፍኣናዶ መጺእካ፧ ኣታ ናይ ኣምላኽ ቅዱስ፡ መን ምዃንካ ፈሊጠካ ኣሎኹ፡ እናበለ ጨደረ። 35የሱስ ከኣ፥ ስቕ በል ካብኡውን ውጻእ፡ ኢሉ ገንሖ። እቲ ጋኔን ድማ ኣብ ማእከሎም ደርበዮ፡ ገለ እኳ ኸይጐድኦ ኸኣ ካብኡ ወጸ። 36ኵሎም ሰምበዱ፡ ንሓድሕዶም ከኣ፥ እዚ ነገርዚስ እንታይ እዩ፧ ንርኹሳት መናፍስቲ ብሓይልን ስልጣንን ይእዝዞም እሞ፡ ይወጹ፡ እናበሉ ተዛራረቡ። 37ወሪኡ ድማ ናብተን ኣብ ከባቢኡ ዘለዋ ዅለን ጐደቦታት ወጸ። 38ካብ ቤት ጸሎት ተንሲኡ፡ ናብ ቤት ስምኦን ኣተወ። ሓማት ስምኦን ከኣ ብብርቱዕ ዓሶ ሓሚማ ነበረት፡ ብዛዕባኣውን ለመንዎ። 39ኣብ ልዕሊኣ ድንን ኢሉ ነቲ ዓሳኦ ገንሖ፡ እቲ ዓሶውን ሓደጋ። ብኡብኡ ተንሲኣ ኣገልገለቶም። 40ጸሓይ ክትዓርብ ከላ ኸኣ፡ በበይኑ ዝዀነ ሕማም ዘለዎም ኵሎም ሕሙማት ናብኡ ኣምጽኡ። ንሱ ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፎም ኢዱ ኣንቢሩ ኣሕወዮም። 41ኣጋንንቲውን፥ ንስኻ ወዲ ኣምላኽ ኢኻ፡ እናበሉ እናጨደሩን ካብ ብዙሓት ይወጹ ነበሩ። ይገንሖም ከኣ ነበረ፡ ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ ስለ ዝፈለጡ ድማ፡ ክዛረቡ ኣይፈቐደሎምን። 42ምስ ወግሐ ድማ፡ ወጺኡ ናብ ጽምዊ ቦታ ኸደ። እቶም ህዝቢ ኸኣ ይደልይዎ ነበሩ፡ ናብኡ መጺኦምውን ካባታቶም ከይኸይድ ሓዝዎ። 43ንሱ ግና፥ ስለዚ እየ እተለኣኽኩ እሞ፡ ንኻልኦት ዓድታት ድማ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክሰብክለን ይግብኣኒ እዩ፡ በሎም። 44ኣብ ኣባይቲ ጸሎት ገሊላ ኸኣ ይሰብኽ ነበረ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ወን.ሉቃስ ምዕራፍ 5
1ኰነ ድማ፡ ብዙሓት ህዝቢ እናተዳፍእዎ፡ ቃል ኣምላኽ ክሰምዑ ኸለዉ፡ ንሱ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ጌንሳሬጥ ደው ኢሉ ነበረ። 2ኣብ ገምገም ባሕሪ ኸኣ ጃልባ ደው ኢለን ረኣየ። እቶም ገፈፍቲ ዓሳ ድማ ካባታተን ወሪዶም መርበቦም ይሓጽቡ ነበሩ። 3ካብተን ጀላቡ ኣብ ሓንቲ፡ ናይ ስምኦን ዝነበረት ኣትዩ ኻብ ምድሪ ቕሩብ ኣርሕቕ ከብላ ለመኖ። ኣብታ ጃልባ ተቐሚጡ ድማ ነቶም ህዝቢ ይምህሮም ነበረ። 4ዘረባኡ ምስ ወድአ ኸኣ፡ ንስምኦን፡ ናብቲ ዓሚቕ ቅርብ በል እሞ መርበብኩም ንምግፋፍ ደርብዩ፡ በሎ። 5ስምኦን ከኣ፡ መምህር፡ ለይቲ ብምልእታ ጽዒርና፡ ዝሓዝና የብልናን፡ ብቓልካ ግና ነዚ መርበብ እድርብዮ፡ ኢሉ መለሰሉ። 6እዚ ምስ ገበረ፡ ኣዝዩ ብዙሕ ዓሳ ሓዙ፡ እቲ መርበቦምውን ተቐደ። 7ነቶም ኣብታ ኻልኣይቲ ጃልባ ዘለዉ ብጾቶም ከኣ መጺኦም ክድግፍዎም ኣመልከትዎም። መጺኦም ድማ ንኽልቲአን ጃልባ ጥቓ ምጥሓል ክሳዕ ዝቀርባ መልእወን። 8-10ስምኦን ጴጥሮስ እዚ ምስ ረኣየ፡ ንሱ ብዛዕባ እቲ ዝገፈፍዎ ምግፋፍ ዓሳ ኣዝዮ ስለ ዝሰምበደ፡ እቶም ምስኡ ዘለዉ ዅሎምን፡ ያእቆብን ዮሃንስን ደቂ ዘብዴዎስ ሰብ ብርኪ ዝነበሩን ድማ ኸምኡ፡ ስምኦን፥ ጐይታይ፡ ኣነ ሓጥእ ሰብ እየ እሞ፡ ካባይ ርሓቕ፡ እናበለ ኣብ ብርኪ የሱስ ተደፍአ። የሱስ ከኣ ንስምኦን፥ ካብ ሕጂ ገፋፍ ሰብ ክትከውን ኢኻ እሞ፡ ኣይትፍራህ፡ በሎ። 11ጃላቡኦም ናብ ምድሪ ኣውጺኦም፡ ንዅሉ ሓዲጎም ሰዓብዎ። 12ኰነ ድማ፡ ኣብ ሓንቲ ዓዲ ኸሎ፡ እንሆ፡ ለምጺ ዝመልኦ ሰብኣይ ኣብኣ ነበረ። ንየሱስ ምስ ረኣዮ፡ ብገጹ ተደፊኡ፥ ጐይታይ፡ እንተ ትፈቱስ፡ ከተንጽሃኒ ትክእል ኢኻ፡ ኢሉ ለመኖ። 13የሱስ ድማ፥ ፈትየ ኣሎኹ፡ ንጻህ፡ ኢሉ ኢዱ ዘርጊሑ ተንከዮ። ብኡብኡ እቲ ለምጺ ሓደጎ። 14ንሱ ኸኣ፡ ኪድ ርእስኻ ንኻህን ኣርኢ፡ ስለ ዝነጻህካ ድማ ምስክር ምእንቲ ክዀኖም፡ ከምቲ ሙሴ ዝኣዘዞ፡ መስዋእቲ ሰውእ እምበር፡ ንሓደ እኳ ኣይትንገር። ኢሉ ኣዘዞ። 15ብዛዕባኡ ድማ፡ ኣዝዩ ወረ ወጸ። ብዙሓት ህዝቢ ኸኣ ክሰምዕዎን ካብ ሕማሞም ክሓውዩን ናብኡ ተኣከቡ። 16ንሱ ግና ናብ በረኻ እናግለሰ ይጽሊ ነበረ። 17ኰነ ድማ፡ ሓንቲ መዓልቲ ንሱ ኽምህር ከሎ፡ ካብ ኵሉ ዓድታት ገሊላን ይሁዳን የሩሳሌምን ዝመጹ ፈሪሳውያንን መምህራን ሕግን ተቀሚጦም ነበሩ። ሓይሊ እግዚኣብሄር ንምሕዋይ ምስኡ ነበረ። 18እንሆ ድማ ሰባት መጻጕዕ ሰብኣይ ብዓራት ጾይሮም ኣምጽኡ፡ ኣእትዮም ከኣ ኣብ ቅድሚኡ ኸንብርዎ ይደልዩ ነበሩ። 19ሰብ ስለ ዝበዝሐ፡ ከመይ ገይሮም ከም ዘእትዉዎ እንተ ጨነቆም ከኣ፡ ናብ ናሕሲ ደየቡ እሞ ጡብ ኣፍሪሶም ምስ ዓራቱ ናብ ማእከል ናብ ቅድሚ የሱስ ኣውረድዎ። 20እምነቶም ምስ ረኣየ ድማ፡ ኣታ ሰብኣይ፡ ሓጢኣትካ ተሓዲጉልካ ኣሎ፡ በሎ’ 21ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ድማ፥ እዚ ጸርፊ ዝዛረብ ዘሎ መን እዩ፡ ብጀካ እግዚኣብሄር በይኑኸ መን ሓጢኣት ክሓድግ ይኽእል፧ ኢሎም ክሓስቡ ጀመሩ። 22የሱስ ድማ ሓሳቦም ፈሊጡ መሊሱ በሎም፥ ብልብኹም እንታይ ትሓስቡ ኣሎኹም፡ 23ኣየናይ ይቐልል፥ ሓጢኣትካ ተሓዲጉልካ ምባልዶ ወይስ ተንስእ እሞ ኺድ ምባል፡ 24ንወዲ ሰብ ኣብ ምድሪ ሓጢኣት ክሓድግ ስልጣን ከም ዘለዎ ምእንቲ ኽትፈልጡ ግና፡ ነቲ መጻጕዕ፥ ተንስእ እሞ ዓራትካ ኣልዒልካ ናብ ቤትካ ኺድ፡ እብለካ ኣሎኹ፡ በሎ። 25ብኡብኡ ንሱ ኣብ ቅድሚኦም ብድድ ኢሉ፡ ነታ ደቂሱላ ዝነበረ ዓራት ኣልዒሉ ንኣምላኽ እናኣመስገኖ ናብ ቤቱ ኸደ። 26ኵሎም ሰምበዱ ንኣምላኽውን ኣመስገንዎ እሞ፥ ሎምስ ግሩም ነገር ርኢና፡ ኢሎም ፍርሃት መልኦም። 27ድሕርዚ ድማ ወጸ፡ ሌዊ ዝብሃል ተጋዊ ኣብ በሪ ተጎ ተቐሚጡ ረኣየ እሞ፥ ስዓበኒ፡ በሎ። 28ተንሲኡ ኸኣ ንዅሉ ሓዲጉ ሰዓቦ። 29ሌዊ ድማ ኣብ ቤቱ ዓብዪ ምሳሕ ገበረሉ። ብዙሓት ተገውቲ ኻልኦትውን ምሳታቶም ኣብ መኣዲ ተቐሚጦም ነበሩ። 30ፈሪሳውያንን ጸሓፍቶምን ድማ ንደቀ መዛሙርቱ፥ ስለምንታይከ ምስ ተገውትን ሓጥኣንን ትበልዑን ትሰትዩን ኣሎኹም፧ ኢሎም ኣዕዘምዘሙሎም። 31የሱስ ከኣ፡ ንሓኪምሲ ሕሙማት እምበር፡ ጥዑያት ኣይደልይዎን እዮም። 32ንሓጥኣን ናብ ንስሓ እምበር፡ ንጻድቃን ክጽውዕ ኣይመጻእኩን፡ ኢሉ መለሰሎም። 33ንሳቶም ድማ፡ ደቀ መዛሙርቲ ዮሃንስ ብዙሕ ሳዕ ይጾሙ ጸሎትውን ይገብሩ፡ ደቀ መዛሙርቲ ፈሪሳውያንውን ከምኡ፡ ደቀ መዛሙርትኻ ግና ይበልዑን ይሰትዩን፥ በልዎ። 34የሱስ ከኣ፥ ንስኻትኩምዶ ነዕሩኽ መርዓዊ፡ እቲ መርዓዊ ምሳታቶም ከሎ፡ ከተጹምዎም ይከኣለኩም እዩ፧ 35ግናኸ እቲ መርዓዊ ኻባታቶም ዝውሰደለን መዓትታት ክመጻ እየን እሞ በተን መዓልትታት እቲአን ሽዑ ክጾሙ እዮም፡ በሎም። 36ምስላ ድማ መሰለሎም፥ ቍራጽ ሓድሽ ዓለባ ኣብ ብላይ ክዳን ዝልግብ የልቦን። እንተ ዘይኰነስ፡ እቲ ሓድሽ መልገባ ነቲ ብላይ ይቐዶ፡ እቲ ሓድሽ ቍራጽ ምስቲ ብላይ ኣይላገብን እዩ። 37ንሓድሽ ወይኒውን ኣብ ኣረገውቲ ኣሕርብቲ ዘዕርቆ የልቦን። እንተ ዘይኰነስ፡ እቲ ሓድሽ ወይኒ ነቲ ኣሕርብቲ ይቐዶ፡ ንሱውን ይፈስስ ኣሕርብቲ ድማ ይባላሾ። 38ንሓድሽ ወይንስ ኣብ ሓደስቲ ኣሕርብቲ ደኣ የዕርቕዎ፡ ክልቲኣቶም ከኣ ይእርነቡ። 39ከራሚ ወይኒ ሰትዩ፡ ከራሚ ይሓይሽ፡ ይብል እምበር፡ ሓድሽ ወይኒ ዝደሊ የልቦን።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ወን.ሉቃስ ምዕራፍ 6
1ኰነ ድማ፡ ብመዓልቲ ሰንበት ብዝሩእ ግርሁ ሓለፈ። ደቀ መዛሙርቱ ሰዊት መሓዉ፡ በእዳዎም እናሓሰዩ ኸኣ ይጐስሙ ነበሩ። 2ሓያሎ ኻብ ፈሪሳውያን ከኣ፥ ስለምንታይ ብሰንበት ምግባሩ ዘይተፈቕደ ትገብሩ ኣሎኹም፧ በልዎም። 3የሱስ ከኣ፥ ዳዊት፡ ንሱን እቶም ምስኡ ዝነበሩን ምስ ጠመዩ፡ ዝገበሮ፡ 4ናብ ቤት ኣምላኽ ከም ዝኣተወ እሞ፡ ብጀካ ንኻህናት ጥራይ እምበር፡ ምብላዑ ዘይተገብአ እንጌራ ምርኣይ ወሲዱ ኸም ዝበልዐ ነቶም ምስኡ ዝነበሩውን ከም ዝሃቦምሲ፡ እኳዶ ኣየንበብኩምን፧ ኢሉ መለሰሎም። 5ወዲ ሰብ ጐይታ ሰንበት እዩ፡ ከኣ በሎም። 6ኰነ ድማ፡ ብሓንቲ ኻልእ ሰንበት ናብ ቤት ጸሎት ኣትዩ መሃረ። ኣብኡ ድማ የማነይቲ ኢዱ ዝነቐጸት ሰብኣይ ነበረ። 7ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ከኣ፡ መኽሰሲ ምእንቲ ኽረኽቡሉ፥ እስኪ ብሰንበት እንተ ኣሕወዮ፡ ኢሎም ይጸናጸንዎ ነበሩ። 8ንሱ ኸኣ ሓሳቦም ፈሊጡ፡ ነቲ ኢዱ ዝነቐጸት ሰብኣይ፥ ተንስእ እሞ ኣብ ማእከል ደው በል፡ በሎ። ንሱውን ተንሲኡ ደው በለ። 9የሱስ ከኣ፡ ብሰንበትሲ ጽቡቕ ምግባርዶ ወይስ ክፉእ ምግባር፡ ንነፍስስ ምድሓንዶ ወይስ ምቕታላ ይግባእ፧ ኢለ እሓተኩም ኣሎኹ፡ በሎም። 10ናብ ኵሎም ግልጽ ግልጽ ኢሉ ርእዩ ኸኣ፡ ነቲ ሰብኣይ፥ ኢድካ ዘርግሕ፡ በሎ። ንሱ ድማ ከምኡ ገበረ፡ እታ ኢዱውን ሓወየት። 11ንሳቶም ግና ኣዝዮም ነደሩ፡ ንየሱስ እንታይ ከም ዝገብርዎ ድማ፡ ንሓድሕዶም ተማኸሩ። 12ኰነ ድማ፡ በቲ ወርሓት እቲ ክጽሊ ናብ ከረን ደየበ፡ ለይቲ ብምልእታ ብጸሎት ናብ ኣምላኽ ነቒሑ ሓደረ። 13ምድሪ ምስ ወግሐ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ናብኡ ጸውዖም፡ ካባታቶም ሃዋርያት ኢሉ ዝሰመዮም ዓሰርተው ክልተ ሓረየ፡ 14ስምኦን፡ ጴጥሮስ ኢሉ ዝሰመዮ፡ እንድርያስ ድማ ሓዉን ያእቆብን ዮሃንስን ፊልጶስን በርተሎሜዎስን፡ 15ማቴዎስን ቶማስን ያእቆብ ወዲ እልፍዮስን እቲ ቀናእ እተበህለ ስምኦንን፡ 16ይሁዳ ወዲ ያእቆብን እቲ ዘትሓዞ ይሁዳ ኣስቆሮታውን። 17ምሳታቶም ወሪዱ ድማ፡ ሰጥ ኣብ ዝበለ ቦታ ደው በለ፡ ብዙሓት ካብ ደቀ መዛሙርቱን ኣዝዮ ብዙሕ ህዝቢ ኸኣ ካብ ብዘሎ ይሁዳን የሩሳሌምን ገምገም ባሕሪ ጢሮስን ሲዶናን ክሰምዕዎ ኻብ ሕማሞምውን ክሓውዩ ዝመጹ ኣብኡ ነበሩ። 18እቶም ብርኹሳት መናፍስቲ ዝሳቐዩ ዝነበሩውን ሓወዩ። 19እቶም ህዝቢ ኸኣ ኵላቶም ክትንክይዎ ይደልዩ ነበሩ። ካብኡ ሓይሊ ይወጽእ ነበረ እሞ፡ ንብዘለዉ ኣሕወዮም። 20ንሱ ድማ ናብ ደቀ መዛሙርቱ እናጠመተ በለ፡ ኣቱም ድኻታት፡ መንግስቲ ኣምላኽ ንኣኻትኩም እያ እሞ፡ ብጹኣን ኢኹም። 21ኣቱም ሕጂ እትጠምዩ፡ ክትጸግቡ ኢኹም እሞ፡ ብጹኣን ኢኹም። ኣቱም ሕጂ እትበኽዩ፡ ክትስሕቁ ኢኹም እሞ፡ ብጹኣን ኢኹም። 22ሰብ ስለ ወዲ ሰብ ኢሎም እንተ ጸልኡኹም፡ እንተ ፈለዩኹም፡ እንተ ጸረፉኩም፡ ስምኩምውን ከም ክፉእ እንተ ኣውጹእልኩም፡ ብጹኣን ኢኹም። 23እንሆ፡ ኣቦታቶም ድማ ንነብያት ከምኡ ይገብርዎም ነይሮም እዮም እሞ፡ ኣብ ሰማይ ዓስብኹም ብዙሕ ክኸውን እዩ፡ ሽዑ በታ መዓልቲ እቲኣ ባህ ይበልኩም ተሓጐሱውን። 24ኣቱም ሃብታማት ግን፡ ሓጐስኩም ወዲእኩም ኢኹም እሞ፡ ወይለኹም’ 25ኣቱም ጽጉባት፡ ክትጠምዩ ኢኹም እሞ፡ ወይለኹም። ኣቱም ሕጂ እትስሕቁ፡ ክትበኽዩ ክትሓዝኑን ኢኹም እሞ፡ ወይለኹም። 26ኵሉ ሰብ ጽቡቕ እንተ ተዛረበልኩም፡ ኣቦታቶም ንነብያት ሓሶት ከምኡ ይገብርዎም ነይሮም እዮም እሞ፡ ወይለኹም 27ንኣኻትኩም ንትሰምዑ ግና እብለኩም ኣሎኹ፥ ጸላእትኩም ኣፍቅሩ፡ ንዝጸልእኹም ጽቡቕ ግበሩ። 28ንዝረግሙኹም መርቑ፡ ምእንቲ እቶም ዝጸርፉኹም ጸልዩ። 29መልትሕካ ንዝወቕዓካ እታ ኻልኣይቲውን ምለሰሉ፡ ክዳንካ ንዝወሰደ ቐምሽካውን ኣይትኽልኣዮ። 30ንዝለመንካ ዘበለ ሃብ፡ ገንዘብካ ኻብ ዝወሰደውን መሊስካ ኣይትድለ። 31ከምቲ ሰብ ክገብሩልኩም እትደልይዎ፡ ንስኻትኩም ድማ ከምኡ ግበሩሎም። 32ሓጥኣን ድማ ንዝፈትውዎምሲ ይፈትዉ እዮም እሞ፡ ንዝፈትዉኹም ጥራይ እንተ ፈቶኹም፡ እንታይ ምስጋና ኣሎኩም፧ 33ጽቡቕ ንዝገብሩልኩም ጥራይ ጽቡቕ እንተ ገበርኩምከ፡ እንታይ ምስጋና ኣሎኩም፧ ሓጥኣን ከኣ ከምኡ ይገብሩ እዮም። 34ክፈድዩኹም ንትጽበይዎም እንተ ኣለቃሕኩምከ፡ እንታይ ምስጋና ኣሎኩም፧ ሓጥኣን ድማ ንሓጥኣን ክንድኡ ክፍደዩ የለቅሑ እዮም። 35ግናኸ ንጸላእትኹም ኣፍቅሩ ጽቡቕ ከኣ ግበሩ፡ ክትፍደዩ ኸይተጸበኹም ኣለቅሑ። እግዚኣብሄር ንዘየመስግኑን ንሕሱማትን ርሕሩሕ እዩ እሞ፡ ዓስብኹም ብዙሕ ክኸውን እዩ፡ ውሉድ እቲ ልዑልውን ክትኰኑ ኢኹም። 36ከምቲ ኣቦኹም ርሕሩሕ ዝዀነ፡ ርሕሩሓት ኩኑ። 37ኣይትፍረዱ ኣይክትፍረዱን ኢኹም፡ ኣይትዀንኑ ኣይክትኵነኑን ድማ ኢኹም፡ ሕደጉ ክሕደገልኩም እዩ። 38ሃቡ ኽውሃበኩም እዩ። በቲ እትሰፍሩሉ መስፈሪ ኽስፈረልኩም እዩ እሞ፡ ጽቡቕ እተሰጐደ፡ ንኽኑኽ እተፋረወ መስፈሪ ኣብ ሕቝፍኹም ክህቡኹም እዮም። 39ብምስላ ኸኣ በሎም፥ ዕዉርዶ ንዕዉር ክመርሖ ይኽእል እዩ፧ ክልቲኣቶምዶኸ ኣብ ጕድጓድ ኣይወድቁን፧ 40ተመሃሪ ኻብ መምህሩ ኣይበልጽን፡ ተምሂሩ ዝወድአ ዅሉ ግና ከም መምህሩ እዩ ዝኸውን። 41ስለምንታይ ኣብ ዓይኒ ሓውካ ዘሎ በሰር እትርኢ፡ ኣብ ዓይንኻ ዘሎ ጕንዲ ግና ዘይተስተብህል፧ 42ወይስ ንስኻ ኣብ ዓይንኻ ዘሎ ጕንዲ ዘይትርኢ፡ ንሓውካ፡ ሓወይ፡ ካብ ዓንይኻ በሰር ከውጽኣልካስ ሕደገኒ፡ ክትብሎ ኸመይ ጌርካ ትኽእል፧ ኣታ ግቡዝ፡ ቅድም ነቲ ጕንዲ ኻብ ዓይንኻ ኣውጽኣዮ፡ ድሕርቲ ኣብ ዓይኒ ሓውካ ዘሎ በሰር ንምውጻእ ኣጸቢቕካ ኽትርኢ። 43ጽቡቕ ኦም ክፉእ ፍረ ዝፈሪ፡ ወይስ ክፉእ ኦም ጽቡቕ ፍረ ዝፈሪ የልቦን። 44ኵሉ ኦም ካብ ፍሪኡ ይፍለጥ እዩእሞ፡ ካብ እሾዅ በለስ ኣይእረን፡ ካብ ጨዓውን ወይኒ ኣይቅንጠብን እዩ። 45ኣፍ ካብ ምልኣት ልቢ እዩ ዝዛረብ እሞ፡ እቲ ሕያዋይ ሰብ ካብቲ ጽቡቕ መዝገብ ልቡ ጽቡቕ የውጽእ። እቲ ኽፉእ ድማ ካብቲ ኽፉእ መዝገብ ልቡ ኽፉእ እዩ ዘውጽእ። 46ስለምንታይ ደኣ፥ ጐይታይ፡ ጐይታይ፡ እትብሉኒ እሞ ኣነ ዝብሎ ኣይትገብሩን፧ 47እቲ ናባይ ዝመጽእን ንቓለይ ሰሚዑ ዝገብሮን ዘበለ ዅሉ፡ ንመን ከም ዝመስል ከርእየኩም እየ፥ 48ቤት ክሰርሕ ከሎ፡ ኣዕሚቑ ዝዀዓተን መሰረቱውን ኣብ ከውሒ ዝሰረተን ሰብኣይ ኣዩ ዝመስል። ደምሳሲ ውሒዝ ምስ መጸ፡ እቲ ውሒዝ ነታ ቤት ደፍኣ፡ ኣብ ከውሒ ስለ እተሰረተት ከኣ፡ ምንቕናቓ ሰኣነ። 49እቲ ሰሚዑ ዘይገብሮ ግና ቤቱ ብዘይ መሰረት ኣብ ምድሪ ዝሰርሐ ሰብኣይ እዩ ዝመስል። ውሒዝ ደፍኣ፡ ብኡብኡ ወደቐት። ኣዋዳድቓ እታ ቤት እቲኣ ኸኣ ዓብዪ ዀነ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ወን.ሉቃስ ምዕራፍ 7
1ብዘሎ ዘረባኡ ኣብ እዝኒ ህዝቢ ምስ ወድአ፡ ናብ ቅፍርናሆም ኣተወ። 2ሓደ ሓለቓ ሚእቲ ዘኽብሮ ባርያኡ ሓሚሙ ንሞት ቀሪቡ ነበረ። 3ወረ የሱስ ምስ ሰምዐ፡ መጺኡ ንባርያኡ ኸሕውየሉ፡ ዓበይቲ ኣይሁድ ናብኡ ልኢኹ ለመኖ። 4-5ንሳቶም ድማ ናብ የሱስ መጺኦም፥ ንሱ ንህዝብና ይፈቱ፡ ቤት ጸሎት ዝሰርሓልና ኸኣ ንሱ እዩ፡ እዚ ኽትገብረሉ ይግባእ እዩ፡ ኢሎም ኣጽኒዖም ለመንዎ። 6የሱስ ከኣ ምሳታቶም ከደ። ናብ ቤቱ ምስ ቀረበ ኸኣ፡ እቲ ሓለቃ ሚእቲ ኣዕሩኽ ለኣኸ፡ ከምዚ ኢሉ፥ ጐይታይ፡ ናብ ትሕቲ ናሕሰይ ክትኣቱ ኣነ ኣይብቑዕን እየ እሞ፡ ኣይትድከም። 7ስለዚ ድማ ንርእሰይ ናባኻ ንምምጻእ ብቕዕቲ ገይረ ኣይቈጸርክዋን። ግናኸ ሓንቲ ቓል ተዛረብ፡ ወደይ ከኣ ይሓዊ እዩ። 8ኣነ ድማ ኣብ ትሕቲ ብዓል ስልጣን ዝግዛእ፡ ኣብ ትሕተይውን ዓቀይቲ ዘለውኒ ሰብ እየ እሞ፡ ነዚ ኺድ እብሎ፡ ይኸይድ፡ ነቲ ድማ ንዓ፡ ይመጽእ፡ ንባርያይውን እዚ ግበር፡ ይገብር ከኣ። 9የሱስ እዚ ምስ ሰምዐ፡ ተገረመ፡ ግልጽ ኢሉ ኸኣ ነቶም ዝሰዓብዎ ህዝቢ፥ ከምዚ ዝበለት ዓባይ እምነትሲ ኣብ እስራኤል እኳ ኣይረኸብኩን፡ እብለኩም ኣሎኹ፡ በሎም’ 10እቶም ልኡኻት ናብ ቤት ምስ ተመልሱ ድማ፡ እቲ ሓሚሙ ዝነበረ ባርያ ሓውዩ ረኸብዎ። 11ንጽቢሒቱ ድማ ዀነ፡ ናይን ናብ እትብሃል ከተማ ኸደ፡ ምስኡ ኸኣ ሓያሎ ኻብ ደቀ መዛሙርቱን ብዙሕ ህዝብን ከዱ። 12ናብ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ ምስ ቀረቡ፡ እንሆ፡ ምዉት ተጾይሩ ወጸ፡ ንሱ ነዲኡ ሓደ ወዳ ነበረ፡ ንሳ ኸኣ መበለት እያ። ብዙሓት ደቂ እታ ኸተማ ኸኣ ምስኣ ነበሩ። 13ጐይታ ምስ ረኣያ፡ ደንገጸላ እሞ፥ ኣይትብከዪ፡ በላ። 14ቀሪቡ ነቲ ቓሬዛ ተንከዮ፡ እቶም ጸወርቲውን ደው በሉ። ንሱ ኸኣ፡ ኣታ ጐበዝ፡ ተንስእ፡ እብለካ ኣሎኹ፡ በሎ። 15እቲ ምዉት ተንስኡ ተቐመጠ፡ ምዝራብውን ጀመረ፡ ነዲኡ ድማ ሃባ። 16ንዅሎም ፍርሃት ሓዞም፥ ዓብዪ ነብዪ ተንሲኡልና፡ ኣምላኽ ንህዝቡ በጽሐ፡ እናበሉ ኸኣ ንኣምላኽ ኣመስገንዎ። 17እዚ ወረዚ ድማ ብዛዕባኡ ኣብ ኵላ ይሁዳን ኣብ ጐደቦታታን ተሰምዐ። 18ንዮሃንስ ድማ ደቀ መዛሙርቱ ዅሉ እዚ ነገርዚ ነገርዎ። 19ዮሃንስ ከኣ ክልተ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ ጸዊዑ፥ እቲ ዝመጽእሲ ንስኻ ዲኻ ወይስ ካልእ ክንጽበ ኢና፡ ኢሉ ናብ የሱስ ለኣኾም። 20እቶም ሰባት ኣብ የሱስ ምስ በጽሑ ኸኣ፥ ዮሃንስ መጥመቕ፥ እቲ ዝመጽእሲ ንስኻ ዲኻ ወይስ ካልእ ክንጽበ ኢና፧ ኢሉ ናባኻ ልኢኹና፡ በልዎ። 21ሽዑ በታ ሰዓት እቲኣ ኻብ ሕማምን ቃንዛን ካብ ርኹሳት መናፍስትን ንብዙሓት ኣሕወየ፡ ንብዙሓት ዕዉራትውን ምርኣይ ሃቦም። 22የሱስ ከኣ፥ ዕዉራት ይርእዩ፡ ሓንካሳት ይኸዱ፡ ለምጻማት ይነጽሁ፡ ጸማማት ይሰምዑ፡ ምዉታት ይትንስኡ ኣለዉ፡ ንድኻታትውን ወንጌል ይስበኽ ኣሎ እሞ፡ ኪዱ፡ እዚ ዝርኤኹምዎን ዝሰማዕኩምዎን ንዮሃንስ ንገርዎ። 23ብኣይ ዘይዕንቀፍ ብጹእ እዩ፡ ኢሉ መለሰሎም። 24እቶም ልኡኻት ዮሃንስ ምስ ከዱ፡ ንሱ ነቶም እኩባት ሰብ ብዛዕባ ዮሃንስ ክብሎም ጀመረ፥ እንታይ ክትርእዩ ናብ በረኻ ወጻእኩም፧ ብንፋስ ሰሰው ዝብል ሻምብቆዶ፧ 25እንታይ ክትርእዩ ደኣ ወጻእኩም፧ ልስሉስ ክዳውንቲ እተኸድነ ሰብኣይዶ፧ እንሆ ንኽዳውንቲ ኽብረት ዘጌጹን ዝሓንቀቑንሲ ኣብ ቤት ነገስታት ኣለዉ። 26እንታይ ክትርእዩ ደኣ ወጻእኩም፧ ነብዪዶ፧ እወ፡ ካብ ነብዪ እኳ ዝዓቢ እብለኩም ኣሎኹ። 27እቲ፥ እንሆ፡ መግድኻ ዝጸርግ መልኣኸይ ቀቅድሜኻ እልእኽ ኣሎኹ፡ ተብሂሉ እተጻሕፈሉ ንሱ እዩ። 28ካብ ኣንስቲ ኻብ እተወልዱ ኻብ ዮሃንስ መጥመቕ ዝዓቢ ነብዪ ሓደ እኳ የልቦን፡ እብለኩም ኣሎኹ። ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ግና እቲ ዝንእስ ይዓብዮ። 29ኵሎም ህዝብን ተገውትን ሰሚዖም፡ ብጥምቀት ዮሃንስ ተጠሚቖም ንኣምላኽ ኣጽደቕዎ። 30ፈሪሳውያንን ፈለጥቲ ሕግን ግና ብእኡ ኣይተጠምቁን እሞ ነቲ ኣምላኽ ዝመኸረሎም ምኽሪ ነዓቕዎ። 31እምብኣርሲ ንሰብ እዚ ወለዶ እዚ ብምንታይ ክምስሎም እየ፧ ንመንሲ ይመስሉ፧ 32ነቶም ኣብ ዕዳጋ ዝቕመጡ እሞ ንሓድሕዶም ተጻዋዊዖም፡ እምብልታ ነፋሕናልኩም ኣይሳዕሳዕኩምን፡ ኣልቀስናልኩም ኣይበኸኹምን፡ ዝብሉ ቘልዑ እዮም ዝመስሉ። 33ዮሃንስ መጥመቕ እማ መጸ፡ እንጌራ ኣይበልዕ፡ ወይኒ ኣይሰቲ፡ ጋነን ኣለዎ፡ ትብሉ ኣሎኹም። 34ወዲ ሰብ መጸ፡ ይበልዕ፡ ይሰቲ፡ እንሆ፡ በላዕን ሰታይ ወይንን፡ መፍቀር ተገውትን ሓጥኣንን፡ ትብሉ ኣሎኹም። 35ጥበብ ግና ብዅሎም ደቃ ጸደቐት። 36ሓደ ኻብ ፈሪሳውያን ድማ ምስኡ ኽበልዕ ለመኖ። ናብ ቤት እቲ ፈሪሳዊ ኣትዩ፡ ኣብ መኣዲ ተቐመጠ። 37እንሆ፡ ኣብታ ዓዲ ሓንቲ ሓጢኣተኛ ሰበይቲ ነበረት። ኣብ ቤት እቲ ፈሪሳዊ ምቕማጡ ምስ ፈለጠት፡ ቅዱይ ቅብኢ ዝመልአ ብልቃጥ ኣምጽአት። 38ብድሕሪኡ ኣብ ጥቓ እግሩ ደው ኢላ እናበኸየት፡ በቲ ንብዓታ እግሩ ኸተጠልቅዮ ጀመረት፡ ብጸጉሪ ርእሳ እናደረዘት እግሩ ትስዕም፡ ቅዱይ ቅብኢውን ትለኽዮ ነበረት። 39እቲ ዝጸውዖ ፈሪሳዊ ድማ ነዚ ርእዩ፡ እዚ ነብዪ እንተ ዝኸውንሲ፡ እዛ ዝተንከየቶ ሰበይቲ ሓጢያተኛ እያ እሞ፡ መን ከመይ ዘመሰለትውን ምኳና ምፈለጣ ነይሩ፡ ኢሉ ብልቡ ሓሰበ። 40የሱስ ከኣ፥ ስምኦን፡ ዝብለካ ኣሎኒ፡ ኢሉ መለሰሉ። ንሱ ኸኣ፡ በል፡ መምህር፡ በለ። 41ንሓደ መለቕሒ ኽልተ ሰብ ዕዳ ነበርዎ። ኣብቲ ሓደ ሓሙሽተ ሚእቲ፡ ኣብቲ ሓደ ድማ ሓምሳ ዲናር ነበሮ። 42ዝፈድይዎ ስለ ዝሰኣኑ ግና፡ ንኽልቲኦም ሓደገሎም። ካባታቶምሲ ኣዝዩ ዘፍቅሮ መኖም እዩ፧ 43ስምኦን ከኣ፥ ንኣይሲ እቲ ብዙሕ እተሓደገሉ ይመስለኒ፡ ኢሉ መለሰ። ንሱ ኸኣ፥ ቅኑዕ ፈረድካ፡ በሎ። 44ናብታ ሰበይቲ ግልጽ ኢሉ ኸኣ ንስምኦን በሎ፥ ነዛ ሰበይቲ እዚኣስ ትርእያዶ ኣሎኻ፧ ናብ ቤትካ ኣቶኹ እሞ ንእግረይ እኳ ማይ ኣይሃብካንን፡ እዚኣ ግና ብንብዓታ ኣእጋረይ ኣጠልቀየት ብጸጉሪ ርእሳውን ደረዘት። 45ንስኻ ኣይተሳለምካንን፡ እዚኣ ግና ካብ ዝኣቱ ጀሚራ ኻብ ምስዓም ኣእጋረይ ኣይዓረፈትን። 46ንስኻ ርእሰይ ብዘይቲ ኣይለኸኻንን፡ እዚኣ ግና ኣእጋረይ ብቕዱይ ቅብኢ ለኸየት። 47ስለዚ፡ ብዙሕ ስለ ዘፍቀረት፡ ንእኣ ብዙሕ ሓጢኣት ተሓዲጉላ፡ እብለካ ኣሎኹ። እቲ ሒደት ዝሕደገሉ ኸኣ ሒደት እዩ ዘፍቅር። 48ንኣእ ድማ፥ ሓጢኣትኪ ተሓዲጉልኪ፡ በላ። 49እቶም ምስኡ ኣብ መኣዲ እተቐመጡ ኸኣ ብልቦም፥ እዚ ሓጢኣት ድማ ዝሓድግሲ፡ መን እዩ፧ ክብሉ ጀመሩ። 50ንሱ ግና ነታ ሰበይቲ፡ እምነትኪ ኣድሒናትኪ፡ ብሰላም ኪዲ፡ በላ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ወን.ሉቃስ ምዕራፍ 8
1ድሕርዚ ድማ ዀነ፡ ንሱ መንግስቲ ኣምላኽ እናሰበኸን እናኣበሰረን ፍቕዳ ኸተማታትን ዓድታትን ይዘውር ነበረ። እቶም ዓሰርተው ክልተ ኸኣ ምስኡ ነበሩ። 2-3ካብ ርኹሳት መናፍስትን ካብ ሕማምን ዝሓወያ ሓያሎ ኣንስቲ ድማ ነበራ፡ ሾብዓተ ኣጋንንቲ ዝወጹላ እታ መግደላዊት ዝብልዋ ማርያም፡ ዮሃና ሰበይቲ ኩዛ ኣዛዝ ቤት ሄሮድስ፡ ሱሳና ኸኣ ብገንዘበን ዘገልግላኦ ኻልኦት ብዙሓትውን ምስኡ ነበራ። 4ብዙሓት ህዝቢ ምስ ተኣከቡ፡ ካብ ፍቕዳ ኸተማታት ናብኡ ምስ መጹ፡ ብምስላ ኸምዚ ኢሉ ተዛረበ፡ 5ዘራኢ ዘርኡ ክዘርእ ወፈረ። ክዘርእ ከሎ ድማ፡ ገሊኡ ኣብ ጥቓ መገዲ ወደቐ፡ ተረግጸ ኣዕዋፍ ሰማይውን በልዓኦ። 6ገሊኡ ኸኣ ኣብ ከውሒ ወደቐ፡ ምስ በቘለ ድማ፡ ጠሊ ስለ ዘይነበሮ ነቐጸ። 7ገሊኡውን ኣብ ማእከል እሾኽ ወደቐ፡ እቲ እሾኽ ምስኡ ዓብዩ ሓነቖ። 8ካልእ ከኣ ኣብ ጽቡቕ ምድሪ ወደቐ፡ በቖለ ሚእቲ ኻዕበት ድማ ፈረየ። እዚ ምስ በለ፥ እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ፡ ኢሉ ጨደረ። 9ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ፥ እዚ ምስላ እዚ እንታይ ማለት እዩ፧ ኢሎም ሓተትዎ። 10ንሱ በሎም፥ ምፍላጥ ምስጢር መንግስቲ ኣምላኽ ንኣኻትኩም ተውሂቡ ኣሎ፡ ንኻልኦት ግና፡ እናረኣዩ ምእንቲ ኸይርእዩ፡ እናሰምዑውን ከየስተውዕሉስ፡ ብምስላ እዛረቦም ኣሎኹ። 11እቲ ምስላኡ እዚ እዩ፥ እቲ ዘርኢ ቃል ኣምላኽ እዩ። 12እቶም ኣብ ጥቓ መገዲ፡ ንሳቶም ዝሰምዑ እዮም። ድሕርቲ፡ ምእንቲ ከይኣምኑን ከይድሕኑን ኢሉ፡ ሰይጣን መጺኡ ነቲ ቓል ካብ ልቦም ይወስዶ። 13ኣቶም ኣብ ከውሒ፡ ንሳቶም ንቓል ምስ ሰምዕዎ፡ ብሓጐስ ዝቕበልዎ እዮም። እዚኣቶም ግና ንግዜኡ ደኣ እዮም ዝኣምኑ እምበር፡ ሱር የብሎምን፡ ብግዜ ፈተናውን ይጠልሙ። 14እቲ ኣብ እሾኽ ዝወደቐ እዚኣቶም እዮም፥ ስም ሰምዑ፡ መገዶም ከይዶም ብሓልዮትን ሃብትን ጣዕሚ ንብረትን ይሕነቑ እሞ ፍረ ኣይፈርዩን። 15እቶም ኣብ ጽቡቕ ምድሪ ድማ፡ ነቲ ቓል ሰሚዖምሲ፡ ኣብ ቅኑዕን ጽቡቕን ልቢ ዝዓቝርዎ፡ ብትዕግስቲውን ፍረ ዝፈርዩ እዮም። 16ንመብራህቲ ኣብሪሁ፡ እቶም ዝኣትዉ ብርሃን ምእንቲ ኽርእዩ ኣብ ቀዋሚ ቐንዴል ይሰቕሎ እምበር፡ በቕሓ ዝኸድኖ ወይስ ኣብ ትሕቲ ዓራት ዘንብሮ የልቦን። 17ዘይገሃድ ሕቡእ የልቦን እሞ፡ ዘይፍለጥን ናብ ግልጺ ዘይወጽእን ስዉር ከኣ የልቦን። 18እምብኣርከ ንዘለዎ ኽወሃቦ እዩ፡ ነቲ ዘይብሉ ግና እታ ዘላቶ እትመስሎ እኳ ኻብኡ ኽትውሰድ እያ እሞ፡ ስለዚ ኸመይ ጌርኩም ከም እተሰምዑ ተተንቀቑ። 19ኣዲኡን ኣሕዋቱን ድማ ናብኡ መጹ፡ ብምኽንያት እቲ እኩብ ህዝቢ ግና ክረኽብዎ ኣይከኣሉን። 20ኣዴኻን ኣሕዋትካን ክርእዩኻ ደልዮም፡ ኣብ ወጻኢ ደው ኢሎም ኣለዉ፡ ኢሎም ነገርዎ። 21ንሱ ኸኣ፥ ኣደይን ኣሕዋተይንሲ እዞም ንቓል ኣምላኽ ዝሰምዕዎን ዝገርብዎን እዮም፡ ኢሉ መለሰሎም። 22ሓንቲ መዓልቲ ድማ ዀነ፡ ንሱ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ናብ ጃልባ ኣትዩ፥ ንዑናይ፡ ናብቲ ማዕዶ ባሕሪ ንሳገር፡ በሎም፡ ከዱውን። 23ክኸዱ ኸለዉ ኸኣ፡ ደቀሰ። ህቦብላ ንፋስ ኣብ ባሕሪ ወረደ፡ ነታ ጃልባኦም ከኣ ማይ መልኣ፡ ፍርሃትውን ሓዞም። 24ሽዑ ናብኡ ቐሪቦም፥ መምህር፡ መምህር፡ ጠፋእና፡ ኢሎም ኣተንስእዎ። ንሱ ኸኣ ተንሲኡ፡ ነቲ ንፋስን ነቲ ማዕበል ማይን ገንሖ እሞ፡ ስቕ በለ ህድኣትውን ኰነ። 25ሽዑ፥ ኣበይ ደኣ ኣላ እምነትኩም፧ በሎም። ፈሪሆም ከኣ፥ እዚ ንንፋስን ማይን ዝእዝዞም እሞ ዝእዘዝዎስ መን ኰን እዩ፧ እናተባሃሃሉ ተደነቑ። 26ኣብ ማዕዶ ገሊላ ናብ ዘሎ ምድሪ ጌርጌሴኖን ተሳገሩ። 27ናብ ምድሪ ምስ ወጸ፥ ኣጋንንቲ ዝሓደሮ ሰብኣይ ካብ ከተማ ተጓነፎ። ንሱ ኸኣ ነዊሕ ዘመን ክዳን ከይተኸድነ ኣብ መቓብር እምበር፡ ኣብ ቤት ዘይቕመጥ እዩ ዝነበረ። 28ንየሱስ ምስ ረኣዮ፡ ጨዲሩ ኣብ ቅድሚኡ ወደቐ ብዓብዪ ድምጺውን፥ የሱስ ወዲ ልዑል ኣምላኽ፥ ምሳኻኸ እንታይ ኣሎኒ፡ ከይትሳቕየኒ እልምነካ ኣሊኹ፡ በሎ። 29ነቲ ርኹስ መንፈስ ካብቲ ሰብኣይ ክወጽእ ኣዘዞ። ብዙሕ ዘመናት ሐዲርዎ ነበረ እሞ፡ ብሰንሰለትን ብመቝሕን ተኣሲሩ ይሕሎ ነበረ። ማእሰሪኡ ይሰብር፡ እቲ ጋኔን ድማ ናብ በረኻ ሃለው የብሎ ነበረ። 30የሱስ ከኣ፥ ስምካ መን እዩ፧ ኢሉ ሓተቶ። ንሱ ኸኣ፡ ብዙሓት ኣጋንንቲ ሓዲሮምዎ ስለ ዝነበሩ፥ ለጌዎን፡ በለ። 31ናብ መዓሙቝ ክኸዱ ኸይእዝዞም ድማ ለመንዎ። 32ኣብኡ ብርቱዕ መጓሰ ሓሰማታት ኣብ ከረን ይበልዕ ነበረ። ናብኡ ንምእታው ክፈቕደሎም ከኣ ለመንዎ፡ ንሱውን ፈቐደሎም። 33እቶም ኣጋንንቲ፡ ካብቲ ሰብኣይ ወጺኦም፡ ናብተን ሓሰማታት ኣተዉ፡ እቲ መጓሰ ድማ ካብቲ ጸድፊ ናብ ባሕሪ ጸዲፉ ጠሓለ። 34እቶም ጓሶት ከኣ እቲ ዝዀነ ምስ ረኣዩ፡ ሃደሙ፡ ኣብ ከተማን ዓድታትን ኣውረዩ። 35እቶም ህዝቢ ኸኣ እቲ ዝዀነ ኽርእዩ ወጹ፡ ናብ የሱስውን መጹ። እቲ ኣጋንንቲ ዝወጹሉ ሰብኣይ፡ ክዳኑ ተኸዲኑ ናብ ልቡ ተመሊሱ፡ ኣብ እግሪ የሱስ ተቐሚጡ ረኸብዎ እሞ ፈርሁ። 36እቶም ዝረኣይዎ ድማ፡ እቲ ጋኔን ዝነበሮ ኸመይ ኢሉ ኸም ዝሓወየ፡ ነገርዎም። 37እቶም ኣብ ከባቢ ጌርጌሴኖን ዝነበሩ ደቂ ሃገር ብዙሕ ፍርሃት ስለ ዝፈርሁ፡ ካባታቶም ክኸይድ ለመንዎ። ኣብ ጃልባ ኣትዩ ኸኣ ተመልሰ። 38እቲ ኣጋንንቲ ዝወጸሉ ሰብኣይ ድማ ምስኡ ክኸውን ለመኖ። የሱስ ግና፥ 39ናብ ቤትካ ተመለስ፡ ኣምላኽ ከመይ ዝበለ ዓብዪ ግብሪ ኸም ዝገበርልካ ንገር፡ ኢሉ ሰደዶ። ከይዱ ድማ፡ እቲ የሱስ ዝገበረሉ ዘበለ ኣብ ብዘላ እታ ኸተማ ነገረ። 40ኰነ ድማ፡ የሱስ ምስ ተመልሰ፡ ኵሎም ይጽበይዎ ነበሩ እሞ፡ እቶም ሰብ ተቀበልዎ። 41እንሆ ኸኣ፡ ያኢሮስ ዝስሙ ሰብኣይ መጸ፡ ንሱ ድማ መራሕ ቤት ጸሎት እዩ። ኣብ እግሪ የሱስ ወዲቑ ናብ ቤቱ ኽኣቱ ለመኖ። 42ሓንቲ ጓል ጥራይ፡ ንሳ ኸኣ ጓል ዓሰርተው ክልተ ዓመት እትኸውን፡ ነበረቶ። ንሳ ንሞት ቀሪባ ነበረት። ክኸይድ ከሎ ድማ፡ እቶም ህዝቢ ይደፍእዎ ነበሩ። 43እንሃ፡ ካብ ዓሰረተው ክልተ ዓመት ሒዛ ደም ዛሕዛሕ ዝብላ ሰበይቲ ነበረት። ንሳ ኸኣ ኩሉ ገንዘባ ንሓኻይም ወድአት፡ ግናኸ ሓደ እኳ ክፍውሳ ኣይከኣለን። 44ብድሕሪኡ ቐሪባ ዘፈር ክዳኑ ተንከየት፡ ብኡብኡ እቲ ምኽዓው ደማ ኣቋረጸ። 45የሱስ ከኣ፥ መን እዩ ዝተንከየኒ፧ በለ። ኵሎም፥ ኣይፋልናን፡ ምስ በሉ፡ ጴጥሮስ ምስቶም ምስኡ ዘልዉ ዀይኑ፥ መምህር፡ እዞም ህዝቢ ይደፍኡኻን ይጸቕቱኻን ኣለዉ፡ ንስኻ ድማ፥ መን እዩ ዝተንከየኒ፧ ትብል፡ በሎ። 46የሱስ ግና፥ ካባይ ሓይሊ ኸም ዝወጸ ይፍለጠኒ ኣሎ እሞ፡ ዝተንከየንስ ኣሎ፡ በሎ። 47እታ ሰበይቲ ድማ ከም ዘይተሓብአት ምስ ረኣየት፡ ራዕራዕ እናበለት መጺኣ ሰገደትሉ። ኣብ ቅድሚ እቲ ዅሉ ህዝቢ ድማ፡ ብምንታይ ምኽንያት ከም ዝተንከየቶ፡ ሽዑ ንሽዑውን ከም ዝሓወየት፡ ነገረቶ። 48ንሱ ኸኣ፥ ኣጆኺ ጓለይ፡ እምነትኪ ኣሕወየትኪ፡ ብሰላም ኪዲ፡ በላ። 49ንሱ ገና ክዛረብ ከሎ፡ ሓደ ኻብ ገዛ መራሕ ቤት ጸሎት፥ ጓልካ ሞይታ፡ ደጊም ንመምህር ኣይተድክሞ፡ እናበለ መጸ። 50የሱስ ሰሚዑ፥ ኣይትፍራህ፥ እመን ደኣ እሞ ክትሓዊ እያ፡ ኢሉ መለሰሉ። 51ኣብታ ቤት ምስ በጽሐ ኸኣ፡ ብዘይ ጴጥሮስን ያእቆብን ዮሃንስን ኣቦ እታ ጓልን ኣዲኣን፡ ሓደ እኳ ምስኡ ኽኣቱ ኣይፈቐደን። 52ኵሎም ድማ ይበኽዩን ዋይዋይ ይብሉን ነበሩ። ሽዑ ንሱ፥ ኣይትብከዩ፡ ደቂሳ እያ ዘላ እምበር፡ ኣይሞተትን፡ በለ። 53ከም ዝሞተት ስለ ዝፈለጡ፡ ሰሓቕዎ። 54ንሱ ኸኣ ንዅሎም ናብ ወጻኢ ኣውጺኡ፡ ብኢዳ ሒዙ ዓው ኢሉ፥ ኣቲ ጓል ተንስኢ፡ በለ። 55ሽዑ ትንፋሳ ተመልሰት እሞ ብኡብኡ ተንስአት፡ ዝብላዕ ክህብዋ ድማ ኣዘዘ። 56ወለዳ ገረሞም፡ ንሱ ግና እዚ ዝዀነ ንሓደ እኳ ኸይነግሩ ኣዘዞም።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ወን.ሉቃስ ምዕራፍ 9
1ነቶም ዓሰርተው ክልተ ብሓባር ጸዊዑ፡ ኣብ ልዕሊ ዅሎም ኣጋንንቲ ሕማምውን ከሕውዩ ሓይልን ስልጣንን ሃቦም። 2መንግስቲ ኣምላኽ ክሰብኩን ንሕሙማት ከሕውዩን ከኣ ለኣኾም። 3በሎም ድማ፡ ንመገዲ ገለ ኣይትማልኡ፡ በትሪ ዀነ፡ ለቘታ ዀነ፡ እንጌራ ዀነ፡ ገንዘብ ኰነ ወይ ክልተ ቐምሽ ኣይሃሉኹም። 4ኣብታ ዝኣቶኹምዋ ቤት ድማ፡ ኣብኣ ኹኑ፡ ካብኣውን መገድኹም ኪዱ። 5ኣብቲ ዘይቅበሉኹም ዘበለ ኸኣ ካብታ ኸተማ እቲኣ ወጺእኩም፡ ንኣታቶም ንምስክር ክኸውን፡ ተጐጓ እግርኹም ንገፉ። 6ወጺኦም ድማ ዓዲ ንዓዲ እናዞሩ፡ ወንጌል ይሰብኩ ኣብ ኵሉውን የሕውዩ ነበሩ። 7ሄሮድስ ብዓል ርባዕ ሽመት ነቲ ብኣኡ እተገብረ ነገር ሰሚዑ ተዋለወለ። ሓያሎ ሰባት፡ ዮሃንስ ካብ ምዉታት ተንሲኡ፡ ይብሉ ነበሩ እሞ፡ 8ገሊኦም፡ ኤልያስ ተራእዩ፡ ገሊኦም ከኣ፥ ካብቶም ቀዳሞት ነብያትሲ ሓደ ተንሲኡ እዩ፡ በሉ። 9ሄሮድስ ከኣ፥ ንዮሃንስ ኣነ ርእሱ ኣሰይፈዮ ነይረ። እዚ ብዛዕባኡ ኸምዚ ዝበለ ነገር ዝሰምዕ ዘሎኹ ደኣ መን እዩ፧ በለ፡ ክርእዮውን ይደሊ ነበረ። 10ሃዋርያት ድማ ምስ ተመለሱ፡ ዝገበርዎ ዘበለ ነገርዎ። ንበይኖም ድማ፡ ናብ ጽምዊ ቦታ ኣብ ጥቓ ቤተ ሳይዳ እትብሃል ከተማ ምስኡ ወሰዶም። 11እቶም ህዝቢ ኸኣ እዚ ሰሚዖም ሰዓብዎ። ንሱ ድማ ተቐበሎም፡ ብናይ መንግስቲ ኣምላኽ ኸኣ ነገሮም፡ ምሕዋይ ንዘድልዮምውን ኣሕወዮም። 12ምድሪ ክመሲ ጀመረ። እቶም ዓሰርተው ክልተ ኸኣ ቀሪቦም፥ ኣብዚ ኣብ በረኻ ኢና ዘሎና እሞ፡ ኣዞም ህዝቢ ኣብ ዙርያና ናብ ዘሎ ዓድታትን ገዛታትን ከይዶም ክሓድሩ ዝብላዕውን ክረኽቡ፡ ኣሳናብቶም፡ በልዎ። 13ንስኻትኩም ዝብላዕ ሃብዎም፡ በሎም። ንሳቶም ግና፡ ንሕና ኸድና፡ ነዚ ዅሉ ህዝብዚ መብልዕ ክንዕድግ እንተ ዘይኰይኑ፡ ምሳና ዘሎስ ካብ ሓሙሽተ እንጌራን ክልተ ዓሳን ኣይበዝሕን እዩ፡ በሉ። 14ኣስታት ሓሙሽተ ሽሕ ሰብ ይዀኑ ነበሩ እሞ፡ ንደቀ መዛሙርቱ፥ በብሓምሳ እናሰራዕኩም ኣቐምጥዎም፡ በሎም። 15ከምኡ ገበሩ ንዅሎምውን ኣቐመጥዎም። 16ነተን ሓሙሽተ እንጌራን ክልተ ዓሳን ኣልዒሉ ናብ ሰማይ ጠመተ፡ ባሪኹ ቘረሰ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ኸኣ ነቶም ህዝቢ ከቕርብሎም ሃቦም። 17ኵሎም በሊዖም ጸገቡ፡ ዝተረፈ ቈረርስ ድማ ዓሰርተው ክልተ መሶብ መሊኦም ኣልዓሉ። 18ኰነ ድማ፡ ንበይኑ ክጽሊ ኸሎ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቱ ምስኡ ነበሩ። ንሱውን፥ ሰብ መን እዩ ይብለኒ ኣሎ፧ ኢሉ ሓተቶም። 19ንሳቶም ከኣ፡ ዮሃንስ መጥምቕ፡ ገሊኦም፡ ኤልያስ እዩ፡ ይብሉ፡ ገሊኦምውን፡ ካብቶም ቀዳሞት ነብያትሲ ሓደ ተንሲኡ፡ ዝብሉ ኣለዉ፡ ኢሎም መለስሉ። 20ንሱ ኸኣ፥ ንስኻትኩምከ መን እዩ ትብሉኒ፧ በሎም። ጴጥሮስ ከኣ፥ እቲ ናይ ኣምላኽ ቅቡእ ኢኻ፡ ኢሉ መለሰሉ። 21ንሱ ድማ ገንሖም፡ እዚ ንሓደ ኸይነግሩ ኸኣ ኣዘዞም እሞ፥ 22ወዲ ሰብ ብዙሕ መከራ ኽጸግብ፡ ብዓበይትን ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን ክነዓቕን ክቕተልን ብሳልሰይቲ መዓልቲ ኽትንስእን ብግዲ እዩ፡ በሎም። 23ንዅሎም ከኣ፥ ደድሕረይ ክስዕብ ዝደሊ፡ ነፍሱ ይቕበጽ፡ መስቀሉ ኣብ ጸጽባሕ የልዕል እሞ ይስዓበኒ። 24ምድሓን ነፍሱ ዝደሊ ኸጥፍኣ እዩ እሞ፡ እቲ ንነፍሱ ምእንታይ ዘጥፍኣ ግና፡ ንሱ ኸድሕና እዩ። 25ሰብከ ንብዘላ ዓለም ረቢሑስ፡ ንነፍሱ እንተ ጐድኣ ወይስ እንተ ኣጥፍኣ፡ እንታይ ይጠቕሞ፡ 26ብኣይን ብቓለይን ዝሓፍር ዘበለ፡ ወዲ ሰብ ብግርማኡን ብግርማ ኣቦኡን ብግርማ ቅዱሳን መላእኽቱን ክመጽእ ከሎ፡ ብእኡ ኽሓፍር እዩ። 27ካብዞም ኣብዚኣ ደው ኢሉም ዘለዉ ሰባት፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ክሳዕ ዝርእይዋ፡ ሞት ዘይጥዕሙ ኸም ዘለዉ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ በሎም። 28ድሕሪ እዚ ዘረባዚ ኣብ ሰሙኑ ኣቢሉ ኸኣ ዀነ፡ ንጴጥሮስን ዮሃንስን ያእቆብን ተማሊኡ፡ ክጽሊ ናብ ከረን ደየበ። 29ክጽሊ ኸሎ፡ ትርኢት ገጹ ተለወጠ፡ ክዳዉንቱውን ብርቅርቕ ዝብል ጻዕዳ ዀነ። 30እንሆ ድማ፡ ክልተ ሰባት፡ ንሳቶም ከኣ ሙሴን ኤልያስን፡ ምስኡ ይዛራረቡ ነበሩ። 31ብግርማ ኸኣ ተገልጹ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ የሩሳሌም ክፍጸም ዘለዎ ምውጻኡ ድማ ይዛራረቡ ነበሩ። 32ጴጥሮስን እቶም ምስኡ ዘለዉን ግና ድቃስ ከቢድዎም ነበረ። ምስ ተባራበሩ፡ ግርማኡን ክልተ ሰብ ድማ ምስኡ ደው ዝበሉን ረኣዩ። 33ኰነ ኸኣ፡ እቲኣቶም ካብኡ ኽፍለዩ ኸለዉ፡ ጴጥሮስ ንየሱስ፥ መምህር፡ ንኣና ኣብዚ ኽንነብር ጽቡቕ እዩ። ሰለስተ ዳስ ክንሰርሕ፥ ሓደ ንኣኻ፡ ሓደ ንሙሴ፡ ሓደውን ንኤልያስ፡ በሎ። ዝብሎ ኣይፈልጥን ነበረ። 34ንሱ እዚ ክዛረብ ከሎ፡ ደበና መጺኡ ኣጐልበቦም። ናብ ደበና ኽኣትዉ ኸለዉ ኸኣ፡ ፈርሁ። 35ካብቲ ደበና ድማ፥ እቲ ዝሓሬኽዎ ወደይ እዚ እዩ፡ ንእኡ ስምዕዎ፡ ዝብል ድምጺ መጸ። 36እቲ ድምጺ ኽመጽእ ከሎ፡ ንየሱስ በይኑ ረከብዎ። ንሳቶምውን ስቕ በሉ፡ ሽዑ ቅነ ዝረኣይዎ ነገር ንሓደ እኳ ኣይነገሩን። 37ንጽብሒቱ ድማ ዀነ፡ ካብ ከረን ምስ ወረደ፡ ብዙሓት ህዝቢ ተቐበልዎ። 38እንሆ ኸኣ፡ ካብቶም ህዝቢ ሓደ ሰብኣይ፥ ዎ መምህር፡ ሓደ ንሱ እዩ ውሉደይ እሞ፡ ነዚ ወደይ ክትርእየለይ እልምነካ ኣለኹ፡ እናበለ ጨርሐ። 39እንሆ፡ መንፈስ ይሕዞ፡ ብኡብኡ ይብህርር፡ ፈንጠራዕራዕውን የብሎ፡ እናዕፈሮ፡ እናቀጥቀጦ ብጻዕሪ ይሓድጎ። 40ንደቀ መዛሙርትኻ ኸውጽእዎ ለሚነዮምሲ፡ ምውጻኡ ስኢኖም፡ በለ። 41የሱስ ከኣ፥ ኣታ ዘይእሙን ቄናን ወለዶ፡ ክሳዕ መኣዝከ ምሳኻትኩም ክነብርን ክዕገሰኩምን እየ፧ ንወድኻ ናብዚ ኣምጻዮ፡ ኢሉ መለሰሉ። 42ንሱ ኽመጽእ ከሎ፡ እቲ ጋኔን ኣንፈጥፈጦ ጠንቀላዕላዕውን ኣበሎ። የሱስ ግና ነቲ ርኹስ መንፈስ ገኒሑ፡ ነቲ ቘልዓ ኣሕወዮ ነቦኡውን ሃቦ። 43ኵላቶም ድማ ብዕቤት ኣምላኽ ኣስተንከሩ። ኵላቶም በቲ የሱስ ዝገበሮ ዅሉ ኸስተንክሩ ኸለዉ ኸኣ፡ ንደቀ መዛሙርቱ፥ 44ወዲ ሰብ ኣብ ኢድ ሰብ ክውሃብ እዩ እሞ፡ ንስኻትኩም ነዚ ነገርዚ ኣብ ኣእዛንኩም ኣእትዉዎ፡ በሎም። 45ንሳቶም ግና ነዛ ዘረባ እዚኣ ኣየስተውዓልዋን፡ ከየስተብህልዋ ድማ ተሰዊራቶም ነበረት። በዛ ዘረባ እዚኣ ኸይሓትዎውን ፈርሁ። 46ካባታቶምሲ መኖም ከም ዝዓቢ ኸኣ ኣብ ማእከሎም ሓሳብ ኣተዎም። 47የሱስ ድማ ሓሳብ ልቦም ርእዩ፡ ሕጻን ወሰደ፡ ኣብ ጥቓኡ ደው ኣቢሉ፥ 48ነዚ ሕጻንዚ ብስመይ ዝቕበል ንኣይ እዩ ዝቕበል። እቲ ንኣይ ዝቕበል ከኣ ነዚ ዝለኣኸኒ ይቅበሎ። እቲ ኣብ ማእከል ኵልኹም ዝንእስ፡ ዓብዪ ዝኸውን ንሱ እዩ፡ በሎ። 49ዮሃንስ ከኣ፥ መምህር፡ ሓደ ሰብኣይ ብስምካ ኣጋንንቲ ኸውጽእ ከሎ ርኢናዮስ፡ ምሳና ስለ ዘይሰዓበ፡ ከሊእናዮ፡ ኢሉ መለሰሉ። 50የሱስ ከኣ፥ ዘይከራኸረኩም ዘበለ፡ ንሱ ምሳኻትኩም እዩ እሞ፡ ኣይትኽልእዎ፡ በሎ። 51ኰነ ድማ፡ መዓልትታት ዕርገቱ ምስ ቀረባ፡ ናብ የሩሳሌም ንምኻድ ገጹ መለሰ። 52ቀቅድሚኡ ልኡኻት ሰደደ፡ ከይዶም ከዳልዉሉ ድማ ኣብ ሓንቲ ዓዲ ናይ ሰማርያ ኣተዉ። 53ንሳቶም ግና፡ ናብ የሩሳሌም ንምኻድ ገጹ መሊሱ ስለ ዝነበረ፡ ኣይተቐበልዎን። 54እቶም ደቀ መዛሙርቱ ያእቆብን ዮሃንስን ከኣ ነዚ ምስ ረኣዩ፥ ጐይታይ፡ ከምቲ ኤልያስ ዝገበሮ፡ ሓዊ ኻብ ሰማይ ወሪዱ ኸጥፍኦም ክንብልዶ ትደሊ ኢኻ፧ በሉ። 55-56ምልስ ኢሉ፥ ወዲ ሰብ ነፍሳት ሰብ ከድሕን እምበር፡ ከጥፍእሲ ኣይመጸን እሞ፡ ናይ ኣየናይ መንፈስ ምዃንኩም ኣይትፈልጡን ኢኹም፡ እናበለ ገንሖም። ናብ ካልእ ዓዲ ኸኣ ኸዱ። 57ኰነ ድማ፡ ኣብ መገዲ ክኸዱ ኸለዉ፡ ሓደ፥ ጐይታይ፡ ናብ እትኸዶ ዘበለ ዅሉ ኽስዕበካ እየ፡ በሎ። 58የሱስ ከኣ፥ ንወኻሩ ጕድጓድ፡ ነዕዋፍ ሰማይውን መሕደሪ ኣለወን፡ ንወዲ ሰብ ግና ርእሱ ዘጸግዓላ ስፍራ የብሉን፡ በሎ። 59ንሓደ ኻልእ ድማ፡ ስዓበኒ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ፥ ጐይታይ፡ ቅድም ከይደ ነቦይ ክቐብሮ ፍቐደለይ፡ በሎ። 60የሱስ ድማ፥ ምዉታት ንምዉታቶም ይቕበሩ ሕደጎም። ንስኻ ግና ኪድ፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንገር፡ በሎ። 61ሓደ ኻልእ ድማ፥ ጐይታይ፡ ክስዕበካ እየ፡ ግናኸ ቅድም ካብ ስድራ ቤተይ ክሳናበት ፍቐደለይ፡ በሎ። 62የሱስ ግና፥ ዕርፊ ብኢዱ ሒዙ ንድሕሪት ዚርኢ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣይበቅዕን እዩ፡ በሎ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ወን.ሉቃስ ምዕራፍ 10
1ድሕርዚ ጐይታ ድማ ካልኦት ሰብዓ ሰርዐ፡ በብኽልተ ገይሩ ኸኣ፡ ናብቲ ንሱ ዝኸዶ ዘበለ ኸተማን ስፍራን ቀቅድሚኡ ለኣኾም። 2በሎም ከኣ፥ እኽሊ ብዙሕ እዩ፡ ዓየይቲ ግና ሒደት እዮም። ስለዚ ነቲ ጐይታ እኽሊ ንእኽሉ ዓየይቲ ክልእኽ፡ ለምንዎ። 3መገድኹም ኪዱ። እንሆ፡ ኣነ ኸም ኣባጊዕ ናብ ማእከል ተዃሉ እሰደኩም ኣሎኹ። 4ማሕፉዳን ለቘታን ኣሳእንን ኣይትማልኡ፡ ኣብ መገዲ ንሓደ እኳ ኸመዓልካ ኣይትበሉ። 5ኣብ ዝኣቶኹምዋ ቤት፡ ቅድም፡ ነዛ ቤት ሰላም ይኹን፡ በሉ። 6ኣብኣ ወዲ ሰላም እንተሎ፡ ሰላምኩም ኣብኡ ኽሓድር እዩ፡ እንተ ዘየልቦ ግና፡ ሰላምኩም ክምለሰኩም እዩ። 7ኣብታ ቤት ከኣ ንበሩ፡ ንዓያዪ ዓስቡ ይግብኦ እዩ እሞ፡ ኣባታቶም ካብ ዘሎ ብልዑን ስተዩን። ካብ ቤት ናብ ቤት ኣይትሕለፉ። 8ኣብ ዝኣቶኹምዋ ኸተማውን እንተ ተቐበሉኹም፡ ዝቐረቡልኩም ብልዑ። 9ኣብኣ ንዘለዉ ሕሙማት ኣሕውዩ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ናባኻትኩም ቀሪባ ኣላ፡ ከኣ በልዎም። 10ኣብታ ዝኣቶኹምዋ ኸተማ እንተ ዘይተቐበሉኹም ግና፡ ናብ ኣደባባይ ወጺእኩም፥ 11እቲ ኻብ ከተማኹም ዝለገበና ተጐጓ እኳ ንነግፈልኩም ኣሎና። እታ መንግስቲ ኣምላኽ ናባኻትኩም ከም ዝቐረበት ግና፡ እዚ ፍለጡ በሉ። 12በታ መዓልቲ እቲኣ ኻብ ነታ ኸተማ እቲኣስ ንሶዶም ከም ዝቐልል፡ እብለኩም ኣሎኹ። 13ወይለኺ ኰራዚን፡ ወይለኺ ቤተሳይዳ እዚ ኣባኻትክን እተገብረ ሓይሊ ኣብ ጢሮስን ሲዶናን ተገይሩ እንተ ዝኸውንሲ፡ ማቕ ተኸዲነን ኣብ ሓሙዅስቲ ተቐሚጠን ቀደም ምተነስሓ ነይረን። 14ብመዓልቲ ፍርዲ ግና ካብ ንኣኻትክን ንጢሮስን ሲዶናን ክቐልል እዩ። 15ኣቲ ቅፍርናሆም፡ ንስኺኸ ኽሳዕ ሰማይዶ ልዕል ክትብሊ ኢኺ፧ ክሳዕ ሲኦልከስ ከተንከራርዊ ኢኺ። 16ንኣኻትኩም ዝሰምዕ ንኣይ ይሰምዕ፡ ንኣኻትኩም ዝንዕቕ ድማ ንኣይ ይንዕቕ፡ እቲ ንኣይ ዝንዕቕ ከኣ ነቲ ዝለኣኸኒ እዩ ዝንዕቆ። 17እቶም ሰብዓ ልኡኻት ከኣ፥ ጐይታይ፡ ኣጋንንቲ ድማ ብስምካ ይግዝኡና ኣለዉ፡ እናበሉ ብሓጐስ ተመልሱ። 18በሎም፥ ሰይጣን ከም መብረቕ ካብ ሰማይ ክወድቕ ከሎ ርኤኽዎ። 19እንሆ፡ ተመንን ዕንቅርቢትን ኵሉ ሓይሊ ጸላእን ክትረግጹ ስልጣን ሂበኩም ኣሎኹ፡ ዝጐድኣኩም ከኣ የልቦን። 20ግናኸ ስምኩም ኣብ ሰማይ ስለ እተጻሕፈ ደኣ፡ ኣዚኹም ተሓጐሱ እምበር፡ መናፍስቲ ስለ እተመልኩልኩም፡ በዚ ኣይትተሓጐሱ። 21በታ ግዜ እቲኣ የሱስ ብመንፈስ ቅዱስ ተሓጐሰ፡ በለውን፥ ኣቦይ ጐይታ ሰማይን ምድርን፡ ነዚ ኻብ ብልህታትን ካብ ለባማትን ስለ ዝሓባእካዮ፡ ንሕጻናት ከኣ ስለ ዝገለጽካዮ፡ እወ ኣቦይ፡ ስምረትካ ኣብ ቅድሜኻ ኸምዚ ስለ ዝዀነ፡ ኤመስግነካ ኣሎኹ። 22ኵሉ ኻብ ኣቦይ ተዋህበኒ። ንወዲ መን ምዃኑ፡ ብዘይ ኣቦ ሓደ እኳ ዝፈልጦ የልቦን። ነቦ ኸኣ መን ምዃኑ፡ ብዘይ ወድን ወዲ ከኣ ክገልጸሉ ዝፈተወን እምበር፡ ሓደ እኳ ዝፈልጦ የልቦን። 23-24ናብ ደቀ መዛሙርቱ ግልጽ ኢሉ ኸኣ ንበይኖም፥ ነዚ ንስኻትኩም እትርእይዎ ዘሎኹም፡ ብዙሓት ነብያትን ነገስታትን ክርእይዎ ደልዮምሲ ኣይረኣይዎን፡ ነዚ ንስኻትኩም እትሰምዕዎ ዘሎኹም ከኣ ኣይሰምዕዎን እሞ፡ ነዚ ንስኻትኩም እትርእይዎ ዘሎኹም ዝርእያ ኣዒንቲ ብጹኣን እየን፡ እብለኩም ኣሎኹ፡ በሎም። 25እንሆ ኸኣ፡ ሓደ ፈላጥ ሕጊ፥ መምህር፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽወርስ እንታይ እግበር፧ ኢሉ ክፍትኖ ተንስአ። 26ንሱ ከኣ፥ ኣብ ሕጊ እንታይ ጹሑፍ ኣሎ፧ ከመይሲ ተንብብ፧ በሎ። 27ንሱ ኸኣ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ብዅሉ ሓይልኻን ብዅሉ ሓሳብካን ኣፍቅሮ፡ ንብጻይካ ድማ ከም ነፍስኻ፡ ኢሉ መለሰሉ። 28ንሱ ኸኣ፥ ጽቡቕ መለስካ። ከምኡ ግበር እሞ ብህይወት ክትነብር ኢኻ፡ በሎ። 29ንሱ ግና ርእሱ ኸጽድቕ ደልዩ፡ ንየሱስ፥ ብጻየይከ መን እዩ፡ በሎ። 30የሱስ መሊሱ በለ፥ ሓደ ሰብኣይ ካብ የሩሳሌም ናብ ያሪኮ ኽወርድ ከሎ፡ ኣብ ኢድ ከተርቲ ወደቐ። ገፈፍዎን ከትከትዎን፡ ዳርጋ ምዉት ገይሮም ከኣ ገዲፎምዎ ኸዱ። 31ኰነ ኸኣ፡ ሓደ ካህን በታ መገዲ እቲኣ ኽወርድ ከሎ፡ ርእይዎ ሓለፈ። 32ከምኡ ድማ ሓደ ሌዋዊ ኣብታ ቦታ እቲኣ ምስ ብጽሐ፡ እናረኣዮ ሓለፈ። 33ሓደ ሳምራዊ ሓላፍ መገዲ ግና ናብኡ መጸ፡ ምስ ረኣዮ ኸኣ ደንገጸሉ። 34ናብኡ ቐሪቡ ኣቑሳሉ ሰፈፈሉ፡ ዘይትን ወይንን ከኣ ኣፍሰሰሉ፡ ኣብ ኣድጉ ኣወቲሑውን ናብ ማሕደር ኣጋይሽ ወሲዱ ኣለዮ። 35ንጽብሒቱ ድማ ክልተ ዲናር ኣውጺኡ፡ ነቲ ሓላው ማሕደር ኣጋይሽ ሃቦ እሞ፥ ተኸናኸኖ፡ ንእኡ ኢልካ ዘጥፋእካዮ ዘበለ ምስ ተመለስኩ ኸፈድየካ እየ፡ በሎ። 36ነቲ ኣብ ኢድ ከተርቲ ዝወደቐስ ካብዞም ሰለስተ፡ ብጻይ ዝዀኖ ኣየናዮም እዩ ይመስለካ፧ 37ንሱ ድማ፥ እቲ ምሕረት ዝገበረሉ፡ በለ። የሱስ ከኣ፡ ኪድከ፡ ንስኻውን ከምኡ ግበር፡ በሎ። 38ክኸዱ ኸለዉ ድማ ዀነ፡ ንሱ ናብ ሓንቲ ዓዲ ኣተወ። ማርታ ዝስማ ሓንቲ ሰበይቲ ኸኣ ኣብ ቤታ ተቐበለቶ። 39ማርያም እትብሃል ሓብቲ ድማ ነበረታ። ንሳ ኸኣ ዘረባኡ ኽትሰምዕ ኣብ ጥቃ እግሪ የሱስ ተቐሚጣ ነበረት። 40ማርታ ግና ብብዙሕ ምግልጋል ትጽዕር፡ ነበረት፡ ደው ኢላ ከኣ፥ ጐይታይ፡ ሓብተይ ሓዲጋትኒ በይነይ ከገልግልዶ ግዲ የብልካን ኢኻ፧ እምብኣርከ ኽትድግፈኒ ንገራ፡ በለቶ። 41የሱስ ድማ፥ ማርታ፡ ማርታ፡ ብብዙሕ ነገር ትጭነቕን ትጕህይን ኣሎኺ። 42እቲ ዘድሊ ግና ሓደ ጥራይ እዩ። ማርያምሲ ኻብኣ ዘይውሰድ ጽቡቕ ግደ ሓርያ ኣላ፡ ኢሉ መለሰላ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ወን.ሉቃስ ምዕራፍ 11
1ኰነ ድማ፡ ኣብ ሓንቲ ስፍራ ኽጽሊ ጸኒሑ፡ ምስ ወድአ፡ ሓደ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ፥ ጐይታይ፡ ከምቲ ዮሃንስ ንደቀ መዛሙርቱ ዝመሃሮም፡ ምጽላይ ምሃረና፡ በሎ። 2ንሱ ኸኣ በሎም፥ ክትጽልዩ ኸሎኹም፥ ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና፡ ስምካ ይቀደስ። መንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ ከምቲ ኣብ ሰማይ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን። 3ናይ ዕለት እንጌራና ኣብ ጸጽባሕ ሃበና። 4ንሕና ንዝበደሉና ዅሎም ይቕረ ንብል ኢና እሞ ሓጢያትና ይቕረ በለልና። ካብ ክፉእ ኣድሕነና እምበር፡ ኣብ ፈተና ኣይተእትወና፡ በሉ። 5-6በሎም ድማ፥ መን እዩ ካባኻትኩም ዓርኪ ዘለዎ፡ ፈረቃ ለይቲ ናብኡ ኸይዱ፥ ዓርከይ፡ ፈታዊ ካብ መገዲ መጺኡንስ፡ ዝቕርበሉ ስኢነ ኣሞ፡ ሰለስተ እንጌራ ኣለቅሓኒ፡ እንተ በሎ፡ 7እቲ ኸኣ ካብ ውሽጢ መሊሱ፡፥ ኣይተድክመኒ፡ ሕጂ ማዕጾ ተሸጕሩ፡ ደቀይ ከኣ ምሳይ ኣብ ዓራት እዮም ዘለዉ፡ ተንሲአ ኽህበካ ኣይዀነለይን፡ ይብሎ። 8ዓርኩ ስለ ዝዀነ ኽህቦ እኳ እንተ ዘይተንስአ፡ ምእንቲ ድቃስ ከይኸልኦ ኢሉ ይትንስእ እሞ ዝደለዮ ይህቦ፡ እብለኩም ኣሎኹ። 9-10ኣነ ኸኣ፡ ዝልምን ዘበለ ይቕበል፡ ዝደሊ ይረክብ፡ ማዕጾ ኳሕኳሕ ንዘበለውን ይኽፈተሉ እዩ እሞ፡ ለምኑ ኽውሃበኩም፡ ድለዩ ኽትረኽቡ ኢኹም፡ ማዕጾውን ኳሕኳሕ ኣብሉ፡ ክኽፈተልኩም እዩ እብለኩም ኣሎኹ 11ካባኻትኩምከ እንታዋይ ኣቦ እዩ፡ ወዱ እንጌራ እንተ ለመኖ፡ እምኒ ዝህቦ፡ ወይስ ዓሳ እንተ ለመኖ፡ ኣብ ክንዲ ዓሳስ ተመን ዝህቦ፡ 12ወይስ እንቋቝሖ እንተ ለመኖ፡ ዕንቅርቢትዶ ይህቦ፧ 13እምብኣርሲ ንስኻትኩም እኳ ኽፉኣት ክነስኹም፡ ንደቕኹም ጽቡቕ ህያብ ምሃብ ካብ ፈለጥኩም፡ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦ ግዳ ንዝልምንዎ ኽንደይ ኣብዚሑ መንፈስ ቅዱስ ዘይህቦም፧ 14ንሱ ዓባስ ጋኔን የውጽእ ነበረ። ኰነ ድማ፡ እቲ ጋኔን ምስ ወጸ፡ እቲ ዓባስ ተዛረበ፡ እቶም ህዝቢ ኸኣ ተገረሙ። 15ገሊኦም ግና፥ ነጋንንቲ ብብኤልዘቡል፡ በቲ ሓለቓ ኣጋንንቲ፡ እዩ ዘውጽኦም ዘሎ፡ በሉ። 16ክልኦት ከኣ ክፍትንዎ፡ ካብኡ ትእምርቲ ኻብ ሰማይ ይደልዩ ነበሩ። 17ንሱ ድማ ሓሳቦም ፈሊጡ በሎም፥ ንሓድሕዳ እተፋላለየት ዘበለት መንግስቲ ትጠፍእ፡ ቤት ድማ ንርእሳ እተፋላለይት፡ ትወድቕ እያ። 18ኣነ ነጋንንቲ ብብኤልዘቡል ከም ዘውጽኦም ካብ እትብሉስ፡ ሰይጣን ንርእሱ እንተ ተፈላለየ ደኣ፡ እታ መንግስቱ ኸመይ ኢላ ትቐውም፡ 19ኣነ ነጋንንቲ ብብኤልዘቡል ዘውጽኦም ካብ ኰንኩስ፡ ደቕኹም ደኣ ብመን የውጽእዎም ኣለዉ፧ ስለዚ ንሳቶም ፈራዶኹም ክዀኑ እዮም። 20ኣነ ነጋንንቲ በጻብዕ ኣምላኽ ዘውጽኦም ካብ ኰንኩ ግና፡ መንግስቲ ኣምላኽ ኣባኻትኩም በጽሐት። 21እቲ ሓያል ሰብ፡ ኣጽዋሩ ሒዙ ገዛኡ እንተ ሓለወ፡ ብዘሎ ጥሪቱ ደሓን ይኸውን። 22ካብኡ ዝሕይል መጺኡ እንተ ሰዓሮ ግና፡ ነቲ ዝእመኖ ዝነበረ ኣጽዋሩ ይገፎ፡ ነቲ ዝበዝበዞውን ይማቐሎ። 23ምሳይ ዘይኰነ፡ ንሱ መቓናቕንተይ እዩ። ምሳይ ዘይእክብ ድማ ይዘሩ። 24ርኹስ መንፈስ ካብ ሰብ ምስ ወጸ፡ ዕረፍቲ ደልዩ፡ ናብ ኣጻምእ ቦታ ይኸይድ እሞ እንተ ዘይረኸበ፥ ናብታ ዝወጻእኩላ ቤተይ ደኣ ኽምለስ፡ ይብል። 25ምስ መጸ ድማ፡ ተዀስቲራን ተሰሊማን ትጸንሖ። 26ሽዑ ንሱ ይኸይድ፡ ካብኡ ዝገዱ ካልኦት ሾብዓተ መናፍስቲ ኸኣ ምስኡ ይማላእ፡ ኣትዮም ኣብኣ ይሰፍሩ። ነቲ ሰብ እቲ ኻብ ቀዳማዩስ ዳሕራዩ ይገዶ። 27ኰነ ድማ፡ እዚ ክዛረብ ከሎ፡ ካብቲ እኩብ ህዝቢ ሓንቲ ሰበይቲ ቓላ ዓው ኣቢላ፥ ዝጾረትካ ኸርስን ዝጠቦካየን ኣጥባትን ብጹኣት እየን፡ በለቶ። 28ንሱ ግና፥ ብጹኣንሲ እቶም ንቓል ኣምላኽ ዝሰምዕዎን ዝሕልውዎን ደኣ እዮም፡ በላ። 29እቶም ህዝቢ ምስ ተኣከቡ ድማ፡ ክብል ጀመረ፥ እዚ ወለዶ እዚ ሕሱም እዩ፡ ትእምርቲ ይደሊ፡ ብዘይ ትእምርቲ ነብዪ ዮናስ ድማ ትእምርቲ ኣይውሃቦን። 30ከምቲ ዮናስ ንሰብ ነነዌ ትእምርቲ ዝዀኖም፡ ከምኡ ድማ ወዲ ሰብ ነዚ ወለዶ እዚ ክዀኖ እዩ። 31ንግስቲ ኣዜብ ጥበብ ሰሎሞን ክትሰምዕ ካብ ወሰን ምድሪ መጺኣ እያ እሞ፡ ብፍርዲ ምስ ሰብ እዚ ወለዶ እዚ ተንሲኣ ኽትዅንኖ እያ። እንሆ፡ ካብ ሰሎሞን ዝዓቢ ኣብዚ እሎ። 32ሰብ ነነዌ ብስብከት ዮናስ ተነሲሖም እዮም እሞ፡ ብፍርዲ ምስ እዚ ወለዶ እዚ ተንሲኦም ክዅንንዎም እዮም። እንሆ፡ ካብ ዮናስ ዝዓቢ ኣብዚ ኣሎ። 33ንመብራህቲ ኣብሪሁ፡ እቶም ዝኣትዉ ብርሃን ምእንቲ ኽርእዩ፡ ኣብ ቀዋሚ ቐዴል እምበር፡ ኣብ ከውሊ ወይ ኣብ ትሕቲ ኸፈር ዘንብሮ የልቦን። 34ናይ ስጋ መብራህቲ ዓይኒ እያ። ዓይንኻ ጥዕይቲ እንተ ዀነት ኵሉ ስጋኻ ብሩህ ይኸውን። ሕምምቲ እንተ ኰነት ግና፡ ስጋኻ ድማ ጸልማት ይኸውን። 35እምብኣርከ እቲ ኣባኻ ዘሎ ብርሃንሲ ጸልማት ከይኸውን ተጠንቀቕ። 36ኵሉ ስጋኻ ገለ ቕሩብ ጸልማት ዘይብሉ ብሩህ እንተ ዀነ፡ ከምቲ መብራህቲ ብድሙቕ ብርሃኑ ዘብርሃልካ፡ ኵሉ ስጋኻ ብሩህ ክኸውን እዩ። 37ክዛረብ ከሎ፡ ሓደ ፈሪሳዊ ምስኡ ኽምሳሕ ጸውዖ። ኣትዩ ኸኣ ኣብ መኣዲ ተቐመጠ። 38እቲ ፈሪሳዊ ቅድሚ ምሳሕ ኢዱ ዘይምሕጻቡ ምስ ረኣየ፡ ተገረመ። 39ጐይታ ኸኣ በሎ፥ ሕጂ ንስኻትኩም ፈሪሳውያን፡ ዝባን ዋንጫ መሬትን ጻሕልን ተጽርዩ፡ ከብድኹም ግና ከትርን ክፍኣትን ምሉእ እዩ። 40ኣቱም ዓያሱ፡ እቲ ናይ ዝባን ዝገበረ ነቲ ናይ ውሽጡስ ኣይገበረንዶ፧ 41ግናኸ እቲ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ንምጽዋት ሃቡ፡ እንሆ፡ ሽዑ ዅሉ ጽሩይ ይዀነልኩም። 42ኣቱም ፈሪሳውያን፡ ካብ ሽላንን ጨና ኣዳምን ኵሉ ኣሕምልትን ዕሽር እተውጽኡ፡ ፍትሕን ፍቕሪ ኣምላኽን ግና ሸለል እትብሉ ኢኹም እሞ፡ ወይለኹም። እቲ ኸይሓደግኩምሲ እዝውን ክትገብሩ ይግብኣኩም ነይሩ። 43ኣቱም ፈሪሳውያን፡ ኣብ ቤት ጸሎት ኣውራ መቐመጢ፡ ኣብ ዕዳጋውን ምስላም ትፈትዉ ኢኹም እሞ፡ ወይለኹም። 44ኣቱም ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን፡ ከም ዘይርአን፡ ሰብ ከይፈለጦ ብልዕሊኡ ዝረግጾን መቓብር ኢኹም እሞ፡ ወይለኹም። 45ካብቶም ፈለጥቲ ሕጊ ሓደ መሊሱ፥ መምህር፡ እዚ ብምባልካስ ንኣናውን ትጸርፈና ኣሎኻ፡ በሎ። 46ነሱ ኸኣ በለ፥ ንስኻትኩም ፈለጥቲ ሕጊ ድማ፡ ንሰብ ከቢድ ጾር ተሰክምዎ፡ ባዕላትኩም ግና ነቲ ጾር ብሓንቲ ኣጻብዕኩም እኳ ኣይትትንክይዎን ኢኹም እሞ፡ ወይለኹም። 47ንስኻትኩምውን መቓብር ነብያት ትሰርሑ ኣሎኹም፡ ኣቦታትኩምውን ቀቲሎምዎም እዮም እሞ፡ ወይለኹም። 48ንሳቶም ቀቲሎምዎም እዮም፡ ንስካትኩም ድማ መቓብሮም ትሰርሑ ኣሎኹም እሞ፡ ከምኡ ነዚ ንስካትኩም ምስክር ኢኹም፡ ነቲ ግብሪ ኣቦታትኩምውን ትሰምርዎ ኣሎኹም። 49ስለዚ ድማ ጥበብ ኣምላኽ በለት፥ ነብያትን ሃዋርያትን ናባታቶም እልእኽ ኣሎኹ፡ ንሓያል ካባታቶም ከኣ ይቐትሉን ይሰጕዎምን ኣለዉ። 50-51ካብ ደም ኣቤል ጀሚሩ ኽሳዕ ደም እቲ ኣብ መንጎ መሰውእን ቤተ መቕደስን ዝቐተልዎ ዘካርያስ፡ እቲ ካብ ምስራት ዓለም ጀሚሩ ዝፈሰሰ ደም ኵሎም ነብያት ካብዚ ወለዶ እዚ ክድለ እዩ። እወ፡ ካብዚ ወለዶ እዚ ክድለ እዩ፡ እብለኹም ኣሎኹ። 52ኣቱም ፈለጥቲ ሕጊ፡ መርሖ ፍልጠት ወሲድኩምሲ፡ ንስኻትኩም ኣይኣቶኹምን፡ ነቶም ክኣትዉ ዝደለዩ ድማ ከልኪልኩምዎም ኢኹም እሞ፡ ወይለኹም። 53እዚ ምስ ተዛረበ፡ እቶም ጻሓፍትን ፈሪሳውያንን ብጽኑዕ ክቕየምዎ ጀመሩ። 54ምእንቲ ክኸስዎ ኸኣ፡ ካብ ኣፉ ገለ ዘረባ ቘጠፋ ደልዮም እናተጻናተዉ ብብዙሕ ዘረባ ይሓትዎ ነበሩ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ወን.ሉቃስ ምዕራፍ 12
1ኣእላፋት ህዝቢ፡ ንሓድሕዶም ክሳዕ ዝራገጹ፡ ምስ ተኣከቡ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ኽብሎም ጀመረ፥ ቅድሚ ዅሉ ኻብ ማይ ብሑቕ ፈሪሳውያን፡ ንሱ ድማ ግብዝና፡ ርእስኹም ሓልዉ። 2ግናኸ ስዉር ዘይቅላዕ፡ ሕቡእውን ዘይፍለጥ የልቦን። 3ስለዚ ኣብ ጸልማት እተዛረብኩምዎ ዘበለ ኣብ ብርሃን ክስማዕ፡ ኣብ ውሻጠ ብሕሽዅሽዅ ኣብ እዝኒ እተዛረብኩምዎም ድማ ኣብ ናሕስታት ክስበክ ኣዩ። 4ንኣኻትኩም ነዕሩኸይ እብለኩም ኣሎኹ፥ ስጋ ንዝቐትሉ፡ ድሕርቲ ኻብኡ ንንየው ዝገብርዎ ብዘይብሎም ኣይትፍርህዎም። 5ንመን ከም እትፈርሁ ግና ከርእየኩም፥ ነቲ ምስ ቀተለስ፡ ኣብ ገሃነም ክድርቢ ስልጣን ዘለዎ፡ ንእኡ ፍርሁ። እወ፡ ንእኡ ፍርህዎ፡ እብለኩም ኣሎኹ። 6ሓሙሽተ ዑፍዶ ንኽልተ ኣሳርዮን ይሽየጣ ኣይኰናን፧ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ካባታተን ሓንቲ እኳ ኣይትርሳዕን እያ። 7ንስኻትኩምሲ ዅለን ጸጉሪ ርእስኹም እኳ ቝጽራት እየን። እምብኣርከ ኻብ ብዙሓት ኣዕዋፍ ትበልጹ ኢኹም እሞ ኣይትፍርሁ። 8ኣብ ቅድሚ ሰብ ንዝእመነኒ ዅሉ፡ ወዲ ሰብ ድማ ኣብ ቅድሚ መላእኽቲ ኣምላኽ ክእመኖ እዩ። 9እቲ ኣብ ቅድሚ ሰብ ዝክሕደኒ ግና ኣብ ቅድሚ መላእኽቲ ኣምላኽ ክከሓድ እዩ፡ እብለኩም ኣሎኹ። 10ኣብ ወዲ ሰብ ዘረባ ዝበለ ዅሉ ይሕደገሉ፡ ነቲ ንመንፈስ ቅዱስ ዝጸርፍ ግና፡ ኣብዚኣ ዀነ ወይስ ኣብታ እትመጽእ ዓለም፡ ኣይሕደገሉን እዩ። 11-12ናብ ኣባይቲ ጸሎት ናብ መኳንንትን ገዛእትን እንተ ወሰዱኹም፡ በታ ሰዓት እቲኣ እንታይ ምዝራብ ከም ዝግባእ፡ መንፈስ ቅዱስ ክምህረኩም እዩ እሞ፡ ከመይ ወይስ እንታይ ከም እትመልሱ ወይ እንታይ ከም እትብሉ ኣይትጨነቑ። 13ሓደ ኻብቶም ህዝቢ ድማ፥ መምህር፡ ንሓወይ ርስተይ ክመቕለኒ በለለይ፡ በሎ። 14ንሱ ኸኣ፥ ኣታ ሰብኣይ፡ ኣባኻትኩምከ ዳኛን መማቐልን ገይሩ መን ሸይመኒ፧ በሎ። 15ንሱ ኸኣ፥ ህይወት ሰብ ብብዝሒ ገንዘብ ኣይኰነትን እሞ፡ ተጠንቀቑ፡ ካብ ኵሉ ስስዐ ኸኣ ርእስኹም ሓልዉ፡ በሎም። 16ከምዚ ኢሉ ኸኣ ምስላ ነገሮም፥ ሓደ ሃብታም ሰብኣይ ግርሁኡ ቐደወሉ። 17ብልቡ ኸኣ፥ እኽለይ ዝእክበላ ስፍራ የብለይን፡ እንታይ ደኣ እገብር እየ ኢሉ ሓሰበ። 18ንሱ ድማ፥ ከምዚ እገብር፥ ንማዕከነይ ኣፍሪሰ፡ ኣግፊሐ እሰርሖ፡ ኣብኡ ኸኣ ኵሉ እኽለይን ሃብተይን እእክብ። 19ንነፍሰይውን፥ ኣቲ ነፍሰይ፡ ብዙሕ እተደለበ ሃብቲ ንብዙሕ ዓመታት ዝኣኽለኪ ኣሎኪ እሞ ዕረፊ፡ ብልዒ፡ ስተዪ፡ ተሓጐሲ፡ እብላ፡ በለ። 20ኣምላኽ ግና፥ ኣታ ዓሻ፡ ንነፍስኻ ካባኻ ኽወስድዋ በዛ ለይቲ እዚኣ ይደልይዋ ኣለዉ። እዚ ዝደለብካዮ ደኣ ንመን ክኸውን እዩ፧ በሎ። 21እቲ ንርእሱ መዝገብ ዝእክብ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሃብታም ዘይኰነ ከምኡ እዩ። 22-23ንደቀ መዛሙርቱ ድማ በሎም፥ ካብ ምግቢ ህይወት ትዓቢ፡ ካብ ክዳንውን ስጋ ይዓቢ እዩ እሞ፡ ስለዚ ንህይወትኩም ብትበልዕዎ ወይስ ንስጋኹም ብትኽደንዎ ኣይትጨነቑ፡ ኣብለኩም ኣሎኹ። 24ናብ ኳዃትማ ኣስተብህሉ፥ ኣምላኽ ይቕልቦም እምበር፡ ኣይዘርኡ ኣይዓጽዱ፡ ማዕከን ወይ ቆፎ የብሎምን። ካብ ኣዕዋፍሲ ንስኻትኩም ግዳ ኽንደይ ኣዚኹም ዘይትበልጹ። 25ካባኻትኩምከ ተጨኒቑ ኣብታ ቝመቱ ሓንቲ እመት ምውሳኽ ዝኽእል መን ኣሎ፧ 26እዚ ቐሊል ነገር ምግባር ካብ ዘይትኽእሉስ፡ ንምይታይ ደኣ ብካልእ እትጭነቑ፧ 27ዕምባባታት ከመይ ኢሎም ከም ዝዓብዩ ኣስተብህሉ፥ ኣይጽዕሩን ኣይፈትሉን እዮም። ሰሎሞን እኳ በቲ ዅሉ ኽብረቱ ኸም ሓደ ካባታቶም ኣይተኸድነን፡ እብለኩም ኣሎኹ። 28ኣምላኽ ነዚ ሎሚ ዘሎ፡ ጽባሕ ግና ናብ እቶን ዝድርበ ሳዕሪ በረኻ ከምዚ ገይሩ ዝኸድኖ ኻብ ኰነስ፡ ኣቱም ጕድላት እምነት፡ ንኣኻትኩም ግዳ ከመይ ኣብዚሑ ዘይከድነኩም፧ 29ንስካትኩም ከኣ እትበልዕዎን እትሰትይዎን ኣይትድለዩን ኣይትጨነቑን። 30ነዚ ዅሉስ ኣህዛብ ዓለም ይደልይዎ እዮም እሞ፡ እዚ ኸም ዘድልየኩምሲ፡ ኣቦኹም ይፈልጥ እዩ። 31መንግስቲ ኣምላኽ ደኣ ድለዩ፡ እዚ ዅሉ ድማ ክውሰኸልኩም እዩ። 32ኣታ ሒደት መጓሰ፡ እታ መንግስቲ ኽህበኩም ፍቓድ ኣቦኹም እዩ እሞ፡ ኣይትፍራህ። 33-34ኣብቲ መዝገብኩም ዘለዎ ኣብኡ ድማ ልብኹም ይኸውን እዩ እሞ፡ ጥሪትኩም ሽጡ ምጽዋትውን ሃቡ፡ ሰራቒ ኣብ ዘይቀርቦ፡ ነቐዝ ኣብ ዘየጥፍኦ ዘይበሊ ማሕፉዳን ዘይጐድል መዝገብን ኣብ ሰማይ ዕቘሩ። 35ሓቛቝኹም ዕጡቕ፡ መባርህትኹም ብሩህ ይኹን። 36ንስኻትኩም፡ ጐይታኦም ካብ መርዓ ኽሳዕ ዝምለስ ዝጽበዩ እሞ፡ መጺኡ ዃሕኳሕ ምስ ኣበለ፡ ብኡብኡ ዝኸፍቱሉ ሰባት ምሰሉ። 37እቶም፡ ጐይታኦም ክመጽእ ከሎ፡ ነቒሖም ዝረኽቦም ባሮት እቲኦም ብጹኣን እዮም። ተዓጢቑ ኣብ መኣዲ ኸም ዘቐምጦም፡ ቀሪቡውን ከም ዘገልግሎም፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 38ኣብ ካልኣይቲ ወይስ ሳልሰይቲ ሕልዋ ለይቲ መጺኡ ኸምዚ እንተ ረኸቦም፡ እቶም ባሮት እቲኦም ብጹኣን እዮም። 39ግናኸ እዚ ፍለጡ፡ ብዓል ቤት፡ ነታ ሰራቒ ዝመጸላ ግዜ እንተ ዝፈልጣ፡ ምነቕሐ፡ ቤቱ ኽትኰዓት ከላውን ስቕ ኣይምበለን ነይሩ። 40ንስኻትኩም ድማ፡ ወዲ ሰብ ብዘይሓሰብኩምዋ ግዜ ኽመጽእ እዪ እሞ፡ እተዳሎኹም ኩኑ። 41ጴጥሮስ ከኣ፥ ጐይታይ፡ እዚ ምስላዝስ ንኣና ዲኻ እትምስሎ ዘሎኻ ወይስ ንዅሉ ኢኻ፧ በሎ። 42ጐይታ ኸኣ በለ፥ እቲ እሙንን ኣስተውዓልን መጋቢ፡ ቀለቦም በብግዜኡ ክህቦም፡ ጐይታኡ ኣብ ስድራ ቤቱ ዝሸሞስ መን እዩ፡ 43እቲ ጐይታኡ ኽመጽእ ከሎ፡ ከምዚ እናገበረ ዝጸንሖ ባርያ ብጹእ እዩ። 44ኣብ ብዘሎ ጥሪቱ ኸም ዝሸሞ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 45እቲ ባርያ ብልቡ፡ ምእታው ጐይታይ ይድንጕ እዩ፡ እንተ በለ ግና፡ ምግራፍ እቶም ገላውን ኣግራድን ምብላዕን ምስታይን ምስካርን ይጅምር፡ 46ጐይታ እቲ ባርያ እቲ፡ ንሱ ብዘይተጸበያ መዓልቲ፡ ብዘይፈለጣ ሰዓት ክመጽእ፡ ቈራሪጹ ኸኣ ግዲኡ ምስቶም ዘይኣምኑ ኽገብሮ እዩ። 47እቲ ፍቓድ ጐይታኡ ፈሊጡ ዘይተዳለወ፡ ከምታ ፍቓዱውን ዘይገበረ ባርያ ብዙሕ መግረፍቲ ዝግብኦ እዩ። 48እቲ ኸይፈለጠ ንመግረፍቲ ዝግብኦ ዝገበረ ግና ሒደት እዩ ዝግረፍ። ብዙሕ ንዝሃብዎ ብዙሕ ይደልይዎ፡ ብዙሕ ንዘማዕቈብዎ ኸኣ ኣብዚሖም ይደልይዎ እዮም። 49ናብ ምድሪ ሓዊ ኽድርቢ እየ ዝመጻእኩ፡ ሕጅስ ብጀካ ምንዳዱ እንታይ እደሊ ኣሊኹ፧ 50ዝጥመቓ ጥምቀት ግና ኣላትኒ፡ ክሳዕ እትፍጸምሲ ኸመይከ ዘይትጸበኒ። 51ናብ ምድሪዶ ሰላም ከምጽእ ዝመጻእኩ ይመስለኩም ኣሎ፧ ምፍልላይ ደኣ እምበር፡ ኣይኰነን፡ እብለኩም ኣሎኹ። 52ካብ ሕጂ ሓሙሽተ ኣብ ሓንቲ ቤት እንተ ዀኑ፡ ሰለስተ ኻብ ክልተ፡ ክልተ ድማ ካብ ሰለሰተ ክፋላለዩ እዮም። 53ኣቦ ኻብ ወዱ፡ ወዲውን ካብ ኣቦኡ፡ ኣደ ኻብ ጓላ፡ ጓላውን ካብ ኣዲኣ፡ ሓማት ካብ መርዓት ወዳ፡ መርዓት ወዲውን ካብ ሓማታ ኽፋላለዩ እዮም። 54ነቶም ህዝቢ ድማ በሎም፡ ደበና ኻብ ምዕራብ ክዳባኖ ኸሎ ምስ ርኤኹም፡ ሽዑ፥ ዝናብ ክዘንም እዩ፡ ትብሉ ኢኹም፡ ከምኡ ኸኣ ይኸውን። 55ንፋስ ደቡብ ክነፍስ ምስ ርኤኹምውን፥ ሃሩር ክኸውን እዩ፡ ትብሉ፡ ከምኡ ድማ ይኸውን። 56ኣቱም ግቡዛት፡ ምምርማር ገጽ ሰማይን ምድርን ትፈልጡ፡ ከመይ ደኣ ነዚ ዘመን እዝስ ዘይትምርምርዎ፧ 57ስለምንታይከ ባዕላትኩም ሓቂ ዘይትፈርዱ፧ 58ምስ መባእስትኻ ናብ ሹም እንተ ኸድኻ፡ ኣብ ፈራዲ ኸየብጽሓካ፡ እቲ ፈራዲ ኸኣ ንግልያኡ ኣሕሊፉ ኸይህበካ፡ እቲ ግልያኡውን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኸይድርብየካስ፡ ኣብ መገዲ ኸሎኻ ምስኡ ንምትዕራቕ ተጋደል። 59እንተ ዘይኰነስ፡ እታ መወዳእታ ለብጦን ክሳዕ እትፈዲ፡ ካብኡ ኣይክትወጽእን ኢኻ፡ እብለካ ኣሎኹ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ወን.ሉቃስ ምዕራፍ 13
1በቲ ወርሓት እቲ፡ ሓያሎ ሰባት መጺኦም ብዛዕባ እቶም ጲላጦስ ደሞም ምስ መስዋእቶም ዝጸንበሮም ገሊላውያን ነገርዎ። 2የሱስ መሊሱ በሎም፥ ነዞም ገሊላውያን እዚኣቶም እዚ ስለ ዝረኸቦምሲ፡ ካብ ኵሎም ገሊላውያን ሓጥኣን ዝነበሩዶ ይመስለኩም ኣሎ፧ 3ኣይፋሎም፡ እንተ ዘይተነሳሕኩምሲ፡ ኵላትኩም ድማ ከምኡ ኽትጠፍኡ ኢኹም፡ እብለኩም ኣሎኹ። 4ወይስ እቶም ኣብ ሰሊሆም ግምቢ ዝወደቖም እሞ ዝቐተሎም ዓሰርተ ሾሞንተኸ ኻብቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነብሩ ዅሎም ሰብ ዝበዝሕ ሓጥኣት ዝነበሮምዶ ይመስለኩም፧ 5ኣይፋሎም፡ እንተ ዘይተነሳሕኩምሲ፡ ኵላትኩም ከምኡ ኽትጠፍኡ ኢኹም፡ እብለኩም ኣሎኹ። 6እዚ ምስላዚ ከኣ በለ፥ ሓደ ሰብኣይ ኣብ ኣታኽልቲ ወይኑ እተተኽለት በለስ ነበረቶ። ፍረ ደልዩ ናብኣ መጸ፡ ግናኸ ኣይረኸበላን። 7ነቲ ሓላው ኣታኽልቲ ወይኒ ኸኣ፥ እንሆ፡ ካብዛ በለስ እዚኣ ፍረ እናደሌኹ ሰለስተ ዓመት መጺኤ፡ ኣይረኽብኩላን። ቍረጻ፡ ስለምንታይከ ንምድሪ ተባላሹ ኣላ፧ በሎ። 8ንሱ ግና፥ ጐይታይ፡ ወሰነ ወሰና ኽሳዕ ዝዅስኵሳ፡ ድዅዒ ኽሳዕ ዝድኵዓ፡ እዛ ዓመት እዚኣ ድማ ሕደጋ። 9ንዓመታ እንተ ፈረየት፡ ጽቡቕ፡ እንተ ዘይኰነስ፡ ሽዑ ትቘርጻ፡ ኢሉ መለሰሉ። 10ብሰንበት ኣብ ሓንቲ ቤት ጸሎት ኰይኑ ይምህር ነበረ። 11እንሆ፡ ኣብኣ ኻብ ዓሰርተው ሾሞንተ ዓመት ሒዙ መንፈስ ድኻም ዝሓደራ ሰበይቲ ነበረት። ንሳ ኸኣ ጐቢጣ ነበረት፡ ክትቀንዕውን ከቶ ኣይተኻእላን። 12የሱስ ምስ ረኣያ፡ ጸዊዑ፥ ኣቲ ሰበይቲ፡ ካብ ሕማምኪ ተፈቲሕኪ ኣሎኺ፡ በላ። 13ኢዱ ኣንበረላ፡ ብኡብኡ ቐንዐት፡ ንኣምላኽውን ኣመስገነቶ። 14እቲ መራሕ ቤት ጸሎት ከኣ፡ የሱስ ብሰንበት ስለ ዘሕወየ ዀርዩ፡ ነቶም ህዝቢ፡ ክዕየየን ዝግባእ ሹዱሽተ መዓልቲ ኣለዋኹም። እምበኣርከ ብኣታተን መጺእኩም ተፈወሱ እምበር፡ ብመዓልቲ ሰንበትሲ ኣይኰነን፡ ኢሉ መለሰሎም። 15ጐይታ ግና፥ ኣታ ግቡዝ፡ ካባካትኩምከ ዅሉ ሰብዶ ንብዕራዩ ወይስ ኣድጉ ብሰንበት ካብ ማእሰሩ ኣይፈትሖን እዩ፧ ከስትዮስ የውርዶ ደይኰነን፧ 16እንሆ፡ እዛ ኻብ ዓሰርተው ሾሞንተ ዓመት ሒዙ ሰይጣን ዝኣሰራ ጓል ኣብርሃምከ ካብዚ ማእሰርቲ እዚ ብመዓልቲ ሰንበት ክትፍታሕዶ ኣይግባእን እዩ፧ ኢሉ መለሰሉ። 17እዚ ምስ በለ፡ እቶም እተበኣስዎ ዅሎም ሓፈሩ። በቲ ብእኡ እተገብረ ዅሉ መስተንክር ዝዀነ ግብርታት ከኣ ብዘሎ እቲ ህዝቢ ተሓጐሰ። 18ድሕርዚ በለ፥ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ትመስል፧ ብምንታይሲ ኽምስላ እየ፧ 19ሰብ ወሲዱ ኣብ ስፍራ ኣታኽልቱ ዝዘርኣ ፍረ ኣድሪ እያ እትመስል። በቘለት ዓባይ ኦምውን ኰነት፡ ኣዕዋፍ ሰማይ ከኣ ኣብ ጨናፍራ ቤተን ሰርሓ። 20ከም ብሓድሽ ድማ፥ ንመግስቲ ኣምላኽ ብምንታይ ክምስላ እየ፧ 21ሰበይቲ ወሲዳ፡ ኵሉ ኽሳዕ ዝበኵዕ፡ ኣብ ሰለስተ ሳቶን ሓርጭ ዝለወሰቶ ማይ ብሑቝ እያ እትመስል፡ በለ። 22ኣብ ከተማታት ኣብ ዓድታትን እናመሃረ ይመለለስ ነበረ። መገዲ ኸኣ ንየሩሳሌም ገጹ ኣቕነዑ ነበረ። 23ሓደ ሰብኣይ ከኣ፥ ጐይታይ፡ ሒደት ድዮም ዝድሕኑ፡ በሎ። 24ንሱ ኸኣ በሎም፥ ብዙሓት ክኣትዉ እናደለዩስ ከም ዘይኰነሎም፡ እብለኩም ኣሎኹ እሞ፡ በታ ጸባብ ደገ ንምእታው ተጋደሉ። 25ብዓል ቤት ተንሲኡ ማዕጾኡ ምስ ሸጐረ፡ ሽዑ ኣብ ወጻኢ ደው ምባል ክትጅምሩ፥ ጐይታይ፡ ጐይታይ፡ ክፈተልና፡ እናበልኩም ማዕጾ ዃሕኳሕ ከተብሉ ኢኹም። ንሱ ኸኣ፥ ካበይ ምዃንኩም ኣይፈልጠኩምን እየ፡ ኢሉ ኽመልሰሎኩም እዩ። 26ሽዑ፥ ኣብ ቅድሜኻ በሊዕናን ሰቲናን፡ ንስኻውን ኣብ ገዛና ምሂርካ፡ ምባል ክትጅምሩ ኢኹም። 27ንሱ ኸኣ፥ ኣቱም ገበርቲ ዓመጻ ዅላትኩም፡ ካበይ ምዃንኩም ኣይፈልጠኩምን እየ፡ ካባይ ርሓቑ፡ እብለኩም ኣሎኹ፡ ክብል እዩ። 28ንኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን ንዅሎም ነብያትን ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ምስ ርኤኹምዎም፡ ንስካትኩም ግና ኣብ ወጻኢ ተደርቢኹም፡ ኣብኡ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ክኸውን እዩ። 29ካብ ምብራቕን ምዕራብን ካብ ሰሜንን ደቡብን ድማ ኽመጹ፡ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽውን ኣብ መኣዲ ክቕመጡ እዮም። 30እንሆ ድማ፡ ቀዳሞት ዝዀኑ ዳሕሮት ኣለዉ፡ ዳሕሮት ዝኾኑ ቐዳሞትውን ኣለዉ። 31በታ ግዜ እቲኣ ሓያሎ ኻብ ፈሪሳውያን፡ ሄሮድስ ክቐትለካ ይደሊ ኣሎ እሞ፡ ውጻእ፡ ካብዚ ኣግልስ፡ ኢሎም ናብኡ መጹ። 32ንሱ ኸኣ በሎም፥ ኬድኩም ነዛ ወኻርያ፥ እንሆ፡ ሎምን ጽባሕን ኣጋንንቲ ኤውጽእ ኤሕዊ፡ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኸኣ እውድእ ኣሎኹ። 33ነብዪ ግና ብዘይ ኣብ የሩሳሌም ኣይቕተልን እዩ እሞ፡ ሎምን ጽባሕን ድሕሪ ጽባሕን ክመላለስ ይግባኣኒ እዩ፡ በሎም። 34የሩሳሌም፡ የሩሳሌም፡ ንነብያት እትቐትሊ፡ ናባኺ ንተላእኩውን ብእምኒ እትጭፍልቒ፡ ከምቲ ደርሆ ንጨጨውታ ኣብ ትሕቲ ኣኽናፋ እትእክቦም፡ ክንደይ ሳዕከ ንደቅኺ ኽእክቦም ዘይደሌኹ እሞ ኣቤኹም። 35እንሆ፡ ቤትኩም ክትዖኑ እያ። ብስም እግዚኣብሄር ዝመጽእ ብሩኽ እዩ፡ እትብሉሉ ዘመን ክሳዕ ዝመጽእውን፡ ኣይክትርእዩንን ኢኹም፡ እብለኩም ኣሎኹ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ወን.ሉቃስ ምዕራፍ 14
1ኰነ ድማ፡ ብሰንበት ኣብ ቤት ሓደ ኻብ ሓለቑ ፈሪሳውያን እንጌራ ክበልዕ ምስ ኣተወ፡ ንሳቶም ይጸናጸንዎ ነበሩ። 2እንሆ፡ ከብዱ እተነፍሐ ሰብኣይ ኣብ ቅድሚኡ ነበረ። 3የሱስ ንፈለጥቲ ሕግን ፈሪሳውያንን፥ ብሰንበት ምፍዋስሲ ግቡእ ድዩ ወይስ ኣይፋሉን፧ ኢሉ ተዛረቦም። 4ንሳቶም ከኣ ኣጽቀጡ። ንሱ ድማ ወሲዱ ኣሕወዮን ሰደዶን። 5መሊሱ ድማ በሎም፥ ካባኻትኩምከ ወዱ ወይ ብዕራዩ ናብ ዔላ እንተ ወደቖ፡ ብኡብኡ ብመዓልቲ ሰንበት ዘየጽኦ መን ኣሎ፧ 6ነዚ ነገርዚ ኸኣ ምላሽ ሰኣኑሉ። 7ነቶም ናብ ምሳሕ እተጸውዑ ድማ ኣውራ መቐመጢ ኸም ዝሓርዩ ምስ ረኣየ፡ ምስላ መሰለሎም፡ ከምዚ ኢሉ፥ 8ሓደ ናብ መርዓ እንተ ዓደመካ፡ ኣብቲ ኣውራ መቐመጢ ኣይትቀመጥ። ካባኻ ዝኸብር ካልእ ጸዊዑ እንተ ዀነ፡ 9እቲ ንእኡን ንኣኻን ዝጸውዐ መጺኡ፥ እዛ ስፍራ እዚእ ነዚ ሕደገሉ፡ ክብለካ እዩ እሞ፡ ሽዑ እናሓፈርካ ናብ ታሕታይ መቐመጢ ኽትወርድ ትጅምር። 10-11ርእሱ ዘዕቢ ዅሉ ኽዋረድ፡ እቲ ርእሱ ዘዋርድ ከኣ ክኸብር እዩ እሞ እንተ ተዓደምካ፡ እቲ ዝዓደመካ መጺኡ፡ ዓርከይ፡ ናብ ላዕላይ ደይብ፡ ምእንቲ ኽብለካስ፡ ኬድካ ኣብ ታሕታይ ስፍራ ተቐመጥ። ሽዑ ኣብ ቅድሚ እቶም ምሳኻ ዝምስሑ ዅሎም መቓምጥኻ ኽብረት ክዀነልካ እዩ። 12ነቲ ዝጸውዖ ሰብኣይ ድማ፥ ምሳሕ ወይስ ድራር እንተ ገበርካ፡ ንሳቶም ድማ ምናልባሽ መሊሶም ከይጽውዑኻ እሞ፡ ምፍዳይ ለቕሓ ኸይኰነካስ፡ ኣዕሩኽካ ዀነ ወይ ኣሕዋትካ፡ ወይ ኣዝማድካ፡ ወይ ሃብታማት ጐረባብትኻ ኣይትጸውዕ። 13ምሳሕ እንተ ገበርካስ፡ ድኻታትን ቈራያትን ሓንካሳትን ዕዉራትን ደኣ ጸውዕ። 14ዝፈድዩኻ የብሎምን እሞ ብጹእ ክትከውን፡ ብትንሳኤ ጻድቃንውን ክትፍደ ኢኻ፡ በሎ። 15ካብቶም ምስኡ ኣብ መኣዲ እተቐመጡ ሓደ እዚ ምስ ሰምዐ፥ እቲ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ እንጌራ ዝበልዕ ብጹእ እዩ፡ በሎ። 16ንሱ ኸኣ በሎ፥ ሓደ ሰብኣይ ዓብዪ ድራር ገበረ፡ ንብዙሓት ዓደመ። 17ኣብቲ ግዜ ድራር ድማ ነቶም ዕዱማት፡ ኵሉ ተዳልዩ ኣሎ እሞ፡ ንዑ ክብሎም ባርያኡ ለኣኸ። 18ኵሎም ከኣ ሓቢሮም ከማኻንዩ ጀመሩ። እቲ ቐዳማይ፥ ግራት ዓዲገ ኣሎኹ፡ ናብኣ ወፊረ ኽርእያ ብግዲ ዘድልየኒ ዀይኑስ፡ ከተማኻንየለይ እልምነካ ኣሎኹ፡ በሎ። 19እቲ ኻልኣይ ድማ፥ ሓሙሽተ ጽምዲ ብዕራይ ዓዲገ ኣሎኹ፡ ክፍትኖም ክኸይድ እየ፡ ከተማኻንየለይ እልምነካ ኣሎኹ፡ በሎ። 20እቲ ሳልሳይ ከኣ፥ ሰበይቲ ኣእትየ ኣሎኹ፡ ስለዚ ኽመጽእ ኣይኰነለይን እዩ፡ በሎ። 21እቲ ባርያ መጺኡ እዚ ንጐይታኡ ነገሮ። ሽዑ እቲ ብዓል ቤት ኰርዩ ነቲ ባርያኡ፥ ናብ ኣደባባይን ናብ መተሓላለፍ ከተማን ቀልጢፍካ ውጻእ፡ ድኻታትን ቈራያትን ሓንካሳትን ዕዉራትን ናብዚ ኣእቱ፡ በሎ። 22እቲ ባርያ ኸኣ፥ ጐይታይ፡ ከምቲ ዝኣዘዝካዮ ዀይኑ፡ ስፍራ ድማ ገና ኣሎ፡ በሎ። 23እቲ ጐይታ ድማ ነቲ ባርያኡ፡ ናብ መገድን ናብ ገዛታትን ውጻእ እሞ ቤተይ ምእንቲ ኽትመልእሲ፡ ክኣትዉ ተጋደሎም፡ በሎ። 24ካብቶም እተዓደሙ ሰብኡት ሓደ እኳ ንድራረይ ኣይክጥዕሞን እዩ፡ እብለኩም ኣሎኹ። 25ብዙሓት ሰብ ምስኡ ይኸዱ ነበሩ። ንሱ ኸኣ ግልጽ ኢሉ በሎም፥ 26ናባይ ዝመጽእ እንተሎ እሞ ኣቦኡን ኣዲኡን ሰበይቱን ደቁን ኣሕዋቱን ኣሓቱን፡ ህይወቱውን ከይተረፈት፡ እንተ ዘይጸልኤ፡ ወደ መዝሙረይ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። 27መስቀሉ ዘይጸውር እሞ ደድሕረይ ዘይስዕብ ዘበለ፡ ወደ መዝሙረይ ክኸውን ኣይክእልን። 28-30ካባኻትኩምከ፡ ምስራሕ ግምቢ ዝደሊ እሞ መሰረት ምስ ሰረተ፡ ምውዳኡ እንተ ሰኣነ፡ ዝረኣይዎ ዅሎም፡ እዚ ሰብኣይዚ ምንዳቕ ጀሚሩስ ምውዳኡ ስኢኑ፡ ኢሎም ምእንቲ ኸላግጹሉ ኸይጅምሩ፡ ንመወድኢኡ ዝኣኽሎ ገንዘብ እንተለዎ፡ ቅድም ተቐሚጡ ዘይጽብጽብ፡ እንታዋይ እዩ፧ 31ወይስ ኣየናይ ንጉስ እዩ፡ ምስ ካልእ ንጉስ ክዋጋእ ዝኸይድ እሞ ነቲ ብኽልተ እልፊ ዝመጾስ ብእልፊ ኽገጥመሉ ዝኽእል እንተ ዀይኑ፡ ተቐሚጡ ቕድም ዘይመክር፧ 32እንተ ዘይኰነስ፡ ገና ኻብኡ ርሑቕ ከሎ፡ ልኡኻት ናብኡ ልኢኹ ዕርቂ ይልምኖ። 33ከምኡ ድማ ነፍሲ ወከፍኩም ዘለዎ ዅሉ ዘይቀበጸ፡ ወደ መዝሙረይ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። 34ጨው ጽቡቕ እዩ፡ እቲ ጨው መቐረቱ እንተ ኸደኸ፡ ብምንታይ ይምቅር፧ 35ንወጻኢ ይጕሕፍዎ እምበር፡ ንምድሪ ዀነ፡ ንምድኳዕ ኰነ ኣይጠቅምን እዩ። እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ወን.ሉቃስ ምዕራፍ 15
1ኵሎም ተገውትን ሓጥኣንን ክሰምዕዎ ናብኡ ቐረቡ። 2ፈሪሳውያንን ጸሓፍትን ድማ፥ እዝስ ንሓጥኣን ደኣ ይቕበል ምሳታቶምውን ይበልዕ፡ ኢሎም ኣጕረምረሙ። 3እዚ ምስላ እዚ ኸኣ መሰለሎም፡ ከምዚ ኢሉ፥ 4ካናኻትኩምከ ሚእቲ ኣባጊዕ ዘለዋኦ እሞ ካባታተን ሓንቲ እንተ ጠፍኣቶስ፡ ነተን ተስዓን ትሽዓተን ኣብ በረኻ ዘይሓድግ፡ ክሳዕ ዝረኽባውን ነታ ዝጠፍአት ክደሊ ዘይከይድ እንታዋይ ሰብኣይ እዩ፧ 5ምስ ረኸባ ኸኣ፡ እናተሓጐሰ ኣብ መንኵቡ ይሕንግራ። 6ናብ ቤቱ ምስ ተመለሰ ድማ፡ ነዕሩኹን ንጐረባብቱን ብሓደ ጸዊዑ፥ ነታ ዝጠፍኤትኒ በጊኤይ ረኺበያ እሞ፡ ምሳይ ተሓጐሱ፡ ይብሎም። 7ከምኡ ኸኣ ንስሓ ኻብ ዘይደልዩ ተስዓን ትችዓተን ጻድቃንሲ፡ ብሓደ ዝንሳሕ ሓጥእ ኣብ ሰማይ ሓጐስ ክኸውን እዩ፡ እብለኩም ኣሎኹ። 8ወይስ ኣየነይቲ ሰበይቲ እያ፡ ዓሰርተ ድሪም ዘለዋ፡ ሓንቲ ድሪም እንተ ጠፍኣታ፡ መብራህቲ ዘይተብርህ ቤታውን ዘይትዅስትር፡ ክሳዕ እትረኽባ ኸኣ ኣጸቢቓ ዘይትደሊ፧ 9ምስ ረኸበታ ድማ፥ እታ ዝጠፍኣትኒ ድሪመይ ረኺበያ እሞ፡ ምሳይ ተሓጐሳ፡ ኢላ ነዳኖታታን ንጐረባብታን ትጽውዐን። 10ከምኡ ድማ ብሓደ ዝንሳሕ ሓጥእ ኣብ ቅድሚ መላእኽቲ ኣምላኽ ሓጐስ ይኸውን እዩ፡ እብለኩም ኣሎኹ። 11በለ ድማ፥ ንሓደ ሰብኣይ ክልተ ደቂ ነበርዎ። 12እቲ ንእሽቶ ኸኣ ነቦኡ፥ ኣቦይ፡ ካብዚ ጥሪት እቲ ዝበጽሓኒ ግደ ሃበኒ፡ በሎ። ነቲ ገንዘቡ ኸኣ መቐሎም። 13ድሕሪ ሒደት መዓልቲ ኸኣ እቲ ንእሽቶ ወዲ ዘለዎ ዅሉ ኣኪቡ፡ ናብ ካልእ ርሑቕ ሃገር ከደ። ኣብኡ ድማ ነቲ ጥሪቱ ብቕለትን ዕብዳንን ዘረዎ። 14ዘለዎ ዘበለ ምስ ወድአ፡ ኣብታ ሃገር ብርቱዕ ጥሜት ኰነ። ንሱ ኸኣ ክስእን ጀመረ። 15ከይዱ ምስ ሓደ ኻብ ደቂ እታ ሃገር ተዋዓዓለ፡ ንሱ ኸኣ፡ ሓሰማታት ክጓሲ፡ ናብ ምድሩ ሰደዶ። 16ካብቲ ሓሰማታት ዝቕለባኦ ቛርፍ ከብዱ ኽመልእ ከኣ ሃረር ይብል ነበረ፡ ዝህቦ ግና ሓደ እኳ ኣይረኸበን። 17ሽዑ ናብ ልቡ ተመሊሱ በለ፥ እንጌራ ዝተርፎም ግዙኣት ኣቦይ ክንደይ እዮም። ኣነ ግና ኣብዚ ብጥሜት እመውት ኣሎኹ። 18ተንሲአ ደኣ ናብ ኣቦይ ክኸይድ እሞ፥ ኣቦይ፡ ንሰማይን ኣብ ቅድሜኻን ሕጢኣት ገበርኩ። 19ደጊም ወድኻ ኽብሃል ኣይበቅዕን እየ፡ ከም ሓደ ኻብ ግዙኣትካ ግበረኒ፡ ክብሎ። 20ተንሲኡ ናብ ኣቦኡ ኸደ። ኣቦኡ ድማ ገና ርሑቕ ከሎ ረኣዮ እሞ ደንገጸሉ፡ ጐይዩ ኸኣ ብኽሳዱ ሓኒቑ ሰዓሞ። 21እቲ ወዲ ድማ፥ ኣቦይ፡ ንሰማይን ኣብ ቅድሜኻን ሓጢኣት ገበርኩ፡ ደጊምሲ ወድኻ ኽብሃል ኣይበቅዕን እየ፡ በሎ። 22ኣቦኡ ግና ንባሮቱ፥ ብሉጽ ክዳን ኣምጺእኩም ክደንዎ፡ ቀለቤት ኣብ ኣጻብዑ፡ ኣሳእንውን ኣብ ኣእጋሩ ኣእትዉሉ። 23-24እዚ ወደይ ሞይቱ ነይሩ ሓውዩ፡ ጠፊኡ ነይሩውን ተረኺቡ እዩ እሞ፡ ስብሕቲ ላም ኣምጺእኩም ሕረዱ፡ ንብላዕ፡ ንተሓጐስ፡ በሎም። ክሕጐሱ ድማ ጀመሩ። 25እቲ ዓብዪ ወዱ ግና ኣብ ወፍሪ ነበረ። መጺኡ ናብ ጥቓ ቤት ምስ ቀረበ፡ ኰበሮን ጓይላን ሰምዐ። 26ካብቶም ግዙኣት ንሓደ ጸዊዑ፥ እዚ እንታይ እዩ፧ ኢሉ ሓተቶ። 27ንሱ ኸኣ፥ እቲ ሓውካ መጺኡ እሞ ኣቦኻ፡ ብደሓኑ ስለ ዝረኸቦ፡ ስብሕቲ ላም ሓሪድሉ፡ በሎ። 28ንሱ ግና ኰረየ ምእታውውን ኣበየ። ኣቦኡ ኸኣ ወጺኡ ለመኖ። 29ንሱ ግና ነቦኡ፡ እንሆ፡ ክንድዚ ዓመት ተገዛእኩኻ፡ ካብ ትእዛዝካውን ከቶ ኣይሓለፍኩን። ንኣይሲ ምስ ኣዕሩኸይ ዝሕጐሰሉ ማሕስእ እኳ ኣይሃብካንን። 30እዚ ንገንዘብካ ምስ ኣመናዝር ኰይኑ በሊዑ ዝወድአ ወድኻ ምስ መጸ ግና፡ ስብሕቲ ላም ሓረድካሉ፡ ኢሉ መለሰሉ። 31ንሱ ኸኣ፥ ወደይ፡ ንስኻስ ኵሉ ሳዕ ምሳይ ኣሎኻ፡ ናተይ ዘበለ ድማ ናትካ እዩ። 32እዚ ሓውካ ግና ሞይቱ ነይሩ ሓውዩ፡ ጠፊኡ ነይሩውን ተረኺቡ እዩ እሞ፡ ክንሕጐስን ባህ ክብለናን ይግባኣና እዩ፡ በሎ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ወን.ሉቃስ ምዕራፍ 16
1ነቶም ደቀ መዛሙርቱ ድማ በሎም፥ ኣዛዝ ቤት ዝነበሮ ሓደ ሃብታም ሰብኣይ ነበረ። ንእኡ፥ ገንዘብካ ይብትነልካ ኣሎ፡ ኢሎም ኣጣቘስዎ። 2ጸዊዑ ኸኣ፥ እዚ ብዛዕባኻ ዝሰምዖ ዘሎኹ እንታይ እዩ፧ ደጊም ኣዛዝ ቤት ክትኰነኒ ኣይኰነልካን እዩ እሞ፡ ጸብጻብ ምምጋብካ ሃበኒ፡ በሎ። 3እቲ ኣዛዚ ኸኣ ብልቡ፥ ጐይታይ ካብዛ ሽመተይ ክስዕረኒ እዩ፡ ከይባሩ ኣይክእልን፡ ከይልምን ድማ እሓፍር፡ እንታይ ደኣ ኽገብር እየ፧ 4ጐይታይ ካብ ሽመተይ ምስ ሰዓረኒ፡ ኣብ ኣባይቶም ምእንቲ ክቕበሉንስ፡ ዝገብሮ ሕጂ ፈለጥኩ፡ በለ። 5ነቶም ሰብ ዕዳ ጐይታኡ ንነፍሲ ወከፎም ጸዊዑ፡ ነቲ ቐዳማይ፥ ንጐይታይ እትፈድዮ ዕዳ ኽንደይ ኣሎኻ፧ በሎ። 6ንሱ ኸኣ ሚእቲ ባት ዘይቲ፡ በሎ። ሽዑ ንሱ፥ እንካ፡ ጽሕፈት ዕዳኻ ተቐበል፡ ቀልጢፍካ ተቐመጥ እሞ ሓምሳ ኢልካ ጽሓፍ፡ በሎ። 7ድሕሪኡ ድማ ንሓደ ኻልእ፥ ንስካኸ ዕዳኻ ኽንደይ እዩ፧ በሎ። እቲውን፥ ሚእቲ ቆሮስ ስርናይ፡ በሎ። ሽዑ ንሱ፥ እንካ፡ ጽሕፈት ዕዳኻ ተቐበል እሞ ሰማንያ ኢልካ ጽሓፍ፡ በሎ። 8ካብ ደቂ ብርሃንሲ ደቂ እዛ ዓለም እዚኣ ኣብ ወለዶኦም ይባላሓቱ እዮም እሞ፡ ነቲ ዓመጸኛ ኣዛዚ፡ ብልቦና ስለ ዝገበረ፡ ጐይታኡ ነኣዶ። 9ኣነ ኸኣ፥ ምስ ተወድኣኩም ኣብ ናይ ዘለኣለም ኣባይቶም ምእንቲ ክቕበሉኹምሲ፡ ብገንዘብ ዓመጻ ንርእስኹም ኣዕሩኽ ግበሩ፡ እብለኩም ኣሎኹ። 10ብሒደት እሙን ዝዀነ ብብዙሕ ድማ እሙን እዩ፡ እቲ ብሒደት ዝዕምጽ ድማ ብብዙሕውን ዓማጺ እዩ። 11እምብኣርከ ብገንዘብ ዓመጻ እሙናት ካብ ዘይትዀኑ፡ ንጥሪት ሓቂ ሕድሪ ዝህበኩም መን እዩ፧ 12ብናይ እማትኩም እሙናት ካብ ዘይትዀኑስ፡ ናትኩም ዝህበኩም ደኣ መን እዩ፧ 13ሓደ ግዙእ ንኽልተ ጐይተት ክግዛእ ዝኽእል የልቦን። ወይ ነቲ ሓደ ጸሊኡ ነቲ ሓደ ይፈቱ፡ ወይስ ነቲ ሓደ ተኣዚዙ ነቲ ሓደ ይንዕቕ። ንኣምላኽን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይትኽእሉን ኢኹም። 14እቶም ገንዘብ ዝፈትዉ ዝነበሩ ፈሪሳውያን ከኣ እዚ ዅሉ እናሰምዑ የላግጹሉ ነበሩ። 15በሎም ድማ፥ እቲ ኣብ ቅድሚ ሰብ ዓብዪ መሲሉ ዝርአ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ፍንፉን እዩ እሞ፡ ንስካትኩም ርእስኹም ኣብ ቅድሚ ሰብ ተጽድቑ ኢኹም፡ ንልብኹም ግና ኣምላኽ ይፈልጦ እዩ። 16ሕግን ነብያትን ክሳዕ ዮሃንስ ነበሩ። ካብ ሽዑ ንነጀው መንግስቲ ኣምላኽ ትብሰር ኣላ፡ ኵሎም ድማ ይዳፍኡላ ኣለዉ። 17ካብ ሕጊ ሓንቲ ነቑጣ ኻብ እትወድቕሲ፡ ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ይቐልል። 18ንሰበይቱ ዝፈትሓ ዘበለ ኻልእውን ዘእቱ ይዝሙ፡ ካብ ሰብኣያ ንተፈትሐት ዘእቱውን ይዝሙ። 19ቀይሕ ክዳንን ክቡር ቦፍታን ዝኽደን፡ ኵሉ መዓልቲ ኸኣ እናኣጋየጸ ዝሕጐስ ሃብታም ሰብኣይ ነበረ። 20ኣልኣዛር ዝስሙ ድኻውን፡ ብቝስሊ ተወሪሱ ኣብ ኣፍ ደጊኡ ወዲቑ ነበረ። 21ካብቲ ኻብ መኣዲ እቲ ሃብታም ዝወድቕ ርፍራፍ ክጸግብ ድማ ሃረር ይብል ነበረ። ኣኽላባት እናመጹ ኸኣ ቍስሉ ይልሕሱ ነበሩ። 22ኰነ ድማ፡ እቲ ድኻ ምስ ሞተ፡ መላእኽቲ ናብ ሕቝፊ ኣብርሃም ወሰድዎ። እቲ ሃብታም ከኣ ሞተ ተቐብረውን። 23ኣብ ሲኦል ኣብ ስቓይ ኰይኑ፡ ዓይኑ ቛሕ ኣቢሉ፡ ንኣብርሃም ኣብ ርሑቕ፡ ንኣልኣዛርውን ኣብ ሕቝፉ ረኣየ። 24ጸዊዑ ኸኣ፥ ዎ ኣቦይ ኣብርሃም፡ በዚ ሃልሃልታዚ እስቀ ኣሎኹ እሞ ምሓረኒ፡ ኣንፊ ኣጻብዑ ኣብ ማይ ጠሚዑ ልሳነይ ከዝሕለለይ፡ ንኣልኣዛር ስደደለይ፡ በሎ። 25ኣብርሃም ግና፥ ወደይ፡ ንስኻስ ብህይወትካ ኸሎኻ ተድላኻ ኸም እተቐበልካ፡ ኣልኣዛር ድማ ከምኡ መከራ ኸም ዝጸገበ፡ ዘክር። ሕጂ ግና ንሱ ኣብዚ ይጸናናዕ፡ ንስኻ ድማ ትስቀ። 26ምስናይ እዚ ዅሉ ድማ፡ እቶም ካብዚ ናባኻትኩም ክሓልፉ ዝደልዩ ምእንቲ ኸይክእሉ፡ ኣብኡ ዘለዉውን ናባና ከይሳገሩስ፡ ኣብ መንጎናን መንጎኹምን ዓብዪ ጋግ ተገይርዎ ኣሎ፡ በሎ። 27-28ሽዑ ንሱ፥ ዎ ኣቦይ፡ እምብኣርሲ ሓሙሽተ ኣሕዋት ኣለዉኒ እሞ፡ ንሳቶምውን ናብዛ ስፍራ ስቃይ እዚኣ ከይመጹ፡ ክምስክረሎም ንኣልኣዛር ናብ ቤት ኣቦይ ክትሰዶ እልምነካ ኣሎኹ፡ በሎ። 29ኣብርሃም ድማ፥ ሙሴን ነብያትን ኣለውዎም፡ ንኣታቶም ይስምዑ፡ በሎ። 30ንሱ ኸኣ፥ ኣይኰነን፡ ኣቦይ ኣብርሃም፡ ካብ ምዉታት ሓደ እንተ ኸዶምሲ፡ ክንስሑ እዮም፡ በሎ። 31ንሱ ድማ፥ ንሙሴን ነብያትን እንተ ዘይሰምዕዎምሲ፡ ካብ ምዉታት ሓደ እንተ ተንስአውን፡ ከቶ ኣይኣምኑን እዮም፡ በሎ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ወን.ሉቃስ ምዕራፍ 17
1ንደቀ መዛሙርቱ በሎም፥ መዓንቀፊ ኸይመጸ ኣይተርፍን እዩ። ነቲ ብሰሩ መዓንቀፊ ዝመጽእ ግና ወይለኡ። 2ካብዞም ናእሽቱ ንሓደ ኻብ ዘስሕትሲ፡ መጥሓን ኣድጊ ኣብ ክሳዱ ተኣሲሩ ናብ ባሕሪ ኽድርበ ምሐሾ ነይሩ። 3ንርእስኹም ተጠንቀቑ። ሓውካ እንተ በደለካ፡ ግንሓዮ፡ እንተ ተጣዕሰ፡ ሕደገሉ። 4ኣብ መዓልቲ ሾብዓተ ሳዕ እንተ በደለካ፡ ተጥዒሰ እናበለ ኸኣ ኣብ መዓልቲ ሾብዓተ ሳዕ ናባኻ እንተ ተመልሰ፡ ሕደገሉ። 5ሃዋርያት ድማ ንጐይታ፥ እምነት ወስኸና፡ በልዎ። 6ጐይታ ኸኣ፥ ክንዲ ፍረ ኣድሪ እትኣክል እምነት እንተ ትህልወኩምሲ፡ ነዚ ሳግላ፡ ተመንቍስካ ኣብ ባሕሪ ተተኸል፡ ምበልኩምዎ እሞ ምተኣዘዘኩም ነይሩ። 7ካባኻትኩምከ ዝሓርስ ወይስ ዝጓሲ ባርያ ዘለዎ እሞ ካብ ወፍሪ ምስ ኣተወ፥ ቀልጢፍካ ሕለፍ፡ ክትድረር ተቐመጥ፡ ዝብሎ መን ኣሎ፧ 8ክድረር ኣዳልወለይ፡ ክሳዕ ዝበልዕን ዝሰትን ከኣ ተዓጢቕካ ኣገልግለኒ፡ ድሕርቲ ንስኻውን ብላዕን ስተን፡ ደይኰነን ዝብሎ፥ 9ወይስ ነቲ ባርያ እቲኸ እቲ እተኣዘዞ ስለ ዝገበረስ ይንእዶዶ፧ ኣይመስለንን። 10ከምኡ ድማ ንስኻትኩም እተኣዘዝኩምዎ ዅሉ ምስ ገበርኩም፥ ንሕና ዘይንጠቅም ባሮት ኢና፡ እቲ ኽንገብሮ ዝግብኣና ኢና ዝገበርና፡ በሉ። 11ኰነ ድማ፡ ናብ የሩሳሌም ክኸይድ ከሎ፡ ብመንጎ ሰማርያን ገሊላን ሓለፈ። 12-13ናብ ሓንቲ ዓዲ ኽኣቱ ኸሎ፡ ዓሰርተ ለምጻማት ተጓነፍዎ። ኣብ ርሑቕ ደው ኢሎምከኣ ድምጾም ዓው ኣቢሎም፥ ዎ የሱስ መምህር፡ ምሓረና፡ በልዎ። 14ንሱ ርእይዎም፥ ኪዱ፡ ርእስኹም ንኻህናት ኣርእዩ፡ በሎም። ኰነ ኸኣ፡ ክኸዱ ኸለዉ፡ ነጽሁ። 15ካባታቶም ሓደ ኸኣ ከም ዝሓወየ ምስ ረኣየ፡ ድምጹ ዓው ኣቢሉ ንኣምላኽ እናኣመስገነ ተመለሰ። 16እናኣመስገኖ ኸኣ ኣብ እግሩ ብገጹ ተደፍአ። ንሱ ኸኣ ሳምራዊ እዩ። 17የሱስ ግና፥ ዝነጽሁስ ዓሰርተ ደይኰኑን፧ እቶም ትሽዓተ ደኣ ኣበይ ኣለዉ፡ 18ብጀካ እዚ ኻልእ ዝዓሌቱስ ንኣምላኽ ክብሪ ኽህብ እተመልሰዶ የልቦን፡ ኢሉ መለሰ። 19ደሓር ከኣ፥ ተንስእ እሞ ኺድ። እምነትካ ኣሕወየትካ፡ በሎ። 20-21ፈሪሳውያን፥ መንግስቲ ኣምላኽ ምኣዝ ትመጽእ፧ ኢሎም ምስ ሓተትዎ ኸኣ፡ ንሱ፥ መንግስቲ ኣምላኽ እንሃ፡ ኣብ ውሽጥኹም ኣላ እሞ፡ መንግስቲ ኣምላኽሲ ብምትሕልላው ኣይትመጽእን እያ፡ እንሃ ኣብዚ ወይስ ኣብቲ ዝብላውን የልቦን፡ ኢሉ መለሰሎም። 22ንደቀ መዛሙርቱ ኸኣ በሎም፥ ካብ መዓልትታት ወዲ ሰብ ሓንቲ ኽትርእዩ እትምነዩለን መዓልትታት ከመጻ እየን፡ ኣይክትርእዩን ከኣ ኢኹም። 23-24መብረቕ ካብቲ ሓደ ወሰን ሰማይ ክሳዕ እቲ ኻልእ ወሰን ሰማይ ከም ዝበርቕን ከም ዘብርህን፡ ከምኡ ኸኣ ወዲ ሰብ በታ መዓልቲ ክኸውን እዩ እሞ፥ እንሆ ኣብዚ ወይስ እንሆ ኣብቲ ኣሎ፡ ክብልኹም እዮም፡ ኣይትኺዱ ኣይትስዓብዎምን። 25ቅድም ግና ብዙሕ ሓሳረ መከራ ኽጸግብ፡ በዚ ወለዶ እዝውን ክነዓቕ ብግዲ እዩ። 26ከምቲ ብዘመን ኖህ ዝዀነ፡ ብዘመን ወዲ ሰብውን ከምኡ ክኸውን እዩ። 27ክሳዕ እታ ኖህ ናብ መርከብ ዝኣተወላ መዓልቲ ይበልዑን ይሰትዩን የእትዉን የተኣታትውን ነበሩ። ማይ ኣይሂ ድማ መጸ ንዅሎምውን ኣጥፍኤ። 28ብዘመን ሎጥ ድማ ከምኡ ዀነ፥ ይበልዑን ይሰትዩን ይሸጡን ይሻየጡን ይተኽሉን ይሃንጹን ነበሩ። 29በታ ሎጥ ካብ ሶዶም ዝወጸላ መዓልቲ ድማ ካብ ሰማይ ሓውን ዲንን ወረደ፡ ንዅሉ ኸኣ ኣጥፍኤ። 30በታ ወዲ ሰብ ዝግለጸላ መዓልቲ ድማ ከምኡ ክኸውን እዩ። 31በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ደርቢ ዘሎ፡ ኣቓሑኡ ኸኣ ኣብ ቤት ዘለዎ ኽወስዶ ኢሉ ኣይውረድ። ኣብ ወፍሪ ዘሎውን ንድሕሪት ኣይመለስ። 32ንሰበይቲ ሎጥ ዘክርዋ። 33ንህይወቱ ኸድሕና ዝደሊ ኸጥፍኣ እዩ፡ እቲ ዘጥፍኣ ግና ከድሕና እዩ። 34በታ ለይቲ እቲኣ ኽልተ ኣብ ሓንቲ ዓራት ክድቅሱ እዮም፡ እቲ ሓደ ኽውሰድ፡ እቲ ሓደ ኸኣ ክሕደግ እዩ። 35ክልተ ኣንስቲ ብሓንሳእ ክጥሕና እየን፡ እታ ሓንቲ ኽትውሰድ፡ እታ ኻልኣይቲ ኽትሕደግ እያ። 36ክልተ ኣብ ወፍሪ ኽጸንሑ እዮም፡ እቲ ሓደ ኽውሰድ፡ እቲ ኻልኣይ ክሕደግ እዩ፡ እብለኩም ኣሎኹ። 37መሊሶም ከኣ፥ ጐይታይ፡ ኣበይከ እዩ፧ በልዎ። ንሱውን፥ ኣብቲ ገምቢ ዘልዎ፡ ኣሞራታት ናብኡ ኽእከቡ እዮም፡ በሎም።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ወን.ሉቃስ ምዕራፍ 18
1ከይቀበጹ ዅሉ ሳዕ ክጽልዩ ኸም ዝግብኦም ድማ፡ ብምስላ ተዛረቦም፡ ከምዚ ኡሉ፡ 2ኣብ ሓንቲ ኸተማ፡ ንኣምላኽ ዘይፈርህ ንሰብ ድማ ዘይሓፍር ፈራዲ ነበረ። 3ኣብታ ኸተማ እቲኣ ድማ መበለት ነበረት፡ ናብኡ እናመጸት ከኣ፡ ምስ እዚ መባእስተይ ፍትሒ ኣውጽኣለይ፡ ትብሎ ነበረት። 4እናኣበያ ኸኣ ሓያሎ መዓልቲ ኣደንጐያ። ድሕርቲ ግና ብልቡ፥ ኣምላኽ እንተ ዘይፈራህኩ ሰብውን እንተ ዘይሓፈርኩ፡ 5እዛ መበለት እዚኣ ላሕ ኣቢላትኒ እያ እሞ፡ መመሊሳ እናመጸት ከይተሰልክየንስ፡ ፍትሒ ደኣ ኸውጽኣላ፡ በለ። 6ጐይታ በለ፥ እዚ ዓመጸኛ ፈራዲ ዝብሎ ዘሎ ስምዑ። 7ኣምላኽዶ ግዳ ነቶም ለይትን መዓልትን ናብኡ ዝጠርዑ ሕሩያቱ ፍትሒ ኣየውጽኣሎምን እዩ፧ ይጽመሞዶኸ፧ 8ቀልጢፉ ፍትሒ ኸም ዘውጽኣሎም፡ እብለኩም ኣሎኹ። ወዲ ሰብ ምስ ዝመጽእ ግና፡ እንድዒ እምነት ደዀን ኣብ ምድሪ ኽረክብ እዩ፧ 9ንሓያሎ ጻድቃን ምዃኖም ብርእሶም ዝእመኑ ንኻልኦትውን ዝንዕቁ ዝነበሩ ድማ፡ እዚ ምስላዚ በሎም፥ 10ክልተ ሰብኣይ፡ እቲ ሓደ ፈሪሳዊ፡ እቲ ኻልኣይ ከኣ ተጋዊ፡ ክጽልዩ ናብ ቤት መቕደስ ደየቡ። 11-12እቲ ፈሪሳዊ ደው ኢሉ ብልቡ፥ ዎ ኣምላኽ፡ ኣብ ሰሰሙን ክልተ መዓልቲ እጸውም፡ ካብ ኵሉ ገንዘበይ ከኣ ዕሽር ኤውጽእ፡ ከምቶም ካልኦት ሰባት፡ ከተርቲ፡ ዓመጽቲ፡ ዘመውቲ፡ ወይ ከምዚ ተጋዊ እዚ ስለ ዘይኰንኩ፡ ኤምስግነካ ኣሎኹ፡ ኢሉ ጸለየ። 13እቲ ተጋዊ ግና ኣብ ርሑቕ ደው ኢሉ ንኣይ ንሓጥእ ምሓረኒ፡ እናበለ ኣፍ ልቡ ይወቅዕ ነበረ እምበር፡ ዓይኑ ናብ ሰማይ ቋሕ ከብል እኳ ኣይደፈረን። 14ርእሱ ልዕል ዘብል ኵሉ ይዋረድ፡ ርእሱ ዘትሕት ግና ልዕል ይብል እዩ እሞ፡ እዚ ሓለፋ እቲ ጸዲቑ ናብ ቤቱ ኸም ዝወረደ፡ እብለኩም ኣሎኹ። 15ንሕጻናት ድማ ክትንክዮም ናብኡ ኣምጽእዎም። እቶም ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ እዚ ርእዮም ገንሕዎም። 16የሱስ ግና ጸዊዑ፥ መንግስቲ ኣምላኽ ንኸምዚኦም ዝበሉ እያ እሞ፡ ሕጻናት ናባይ ይምጽኡ ሕደጉ፡ እይትኸልክልዎም። 17ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ህጻን ኰይኑ ዘይተቐበላ ከቶ ኸም ዘይኣትዋ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ በሎም። 18ሓደ መራሕ ድማ፥ ዎ ሄር መምህር፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽወርስ እንታይ እግበር፡ ኢሉ ሓተቶ። 19የሱስ ከኣ፥ ንምንታይከ ሄር እትብለኒ፡ ብጀካ ሓደ፡ ንሱ ኸኣ ኣምላኽ፡ ሄር የልቦን። 20ነተን፥ ኣይትዘሙ፡ ኣይትቕተል፡ ኣይትስረቕ፡ ብሓሶት ኣይትመስክር፡ ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር፡ ዝብላ ትእዛዛት ትፈልጠን ኢኻ፡ በሎ። 21ንሱ ኸኣ፥ ነዚ ዅሉስ ካብ ንእስነተይ ጀሚረ እሕልዎ ኣሎኹ፡ በለ። 22የሱስ ድማ እዚ ምስ ሰምዐ፥ ገናኸኣ ሓንቲ ተሪፋትካ ኣላ፥ ዘሎካ ዅሉ ሼጥካ ንድኻታት ሃብ፡ ኣብ ሰማይ ከኣ መዝገብ ክጸንሓካ እዩ፡ ንዓውን ስዓበኒ፡ በሎ። 23ንሱ ኸኣ እዚ ምስ ሰምዐ፡ ኣዝዩ ሃብታም ነበረ እሞ፡ ብዙሕ ጐሃየ። 24የሱስ ብዙሕ ምጕሃዩ ርእዩ፥ ሃብቲ ንዘለዎም ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ምእታው ክንደይ ጭንቂ እዩ። 25ሃብታም ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ዝኣቱስ፡ ገመል ብዓይኒ መርፍእ ክትሓልፍ ይቐልል፡ በለ። 26እቶም ዝሰምዑ ኸኣ፥ መን ደኣ ዀን ክድሕን ይኽእል፡ በሉ። 27ንሱ ኸኣ፥ እቲ ንሰብ ዘይከኣሎ፡ ንኣምላኽ ይከኣኣሎ እዩ፡ በሎም። 28ሽዑ ጴጥሮስ፥ እንሆ፡ ንሕና ጥሪትና ዅሉ ሓዲግና ስዒብናካ ኣሎና፡ በሎ። 29-30ንሱ ኸኣ፡ ስለ መንግስቲ ኣምላኽ ኢሉ፡ ቤት ኰነ፡ ወይ ወለዲ፡ ወይ ኣሕዋት፡ ወይ ሰበይቲ፡ ወይ ውሉድ ዝሓደገ፡ ኣብዚ ዘመን እዚ ብዙሕ ካዕበት፡ ኣብታ እትመጽእ ዓለም ከኣ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዘይረክብ የልቦን፡ ኢሉ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ በሎም። 29-30የሱስ ከኣ ደው ኢሉ ናብኡ ኸምጽእዎ ኣዘዘ። ናብኡ ምስ ቀረበ ድማ፡ የሱስ፥ እንታይ ክገብረልካ ትደሊ ኣሎኻ፧ ኢሉ ሓተቶ። ንሱ ኸኣ፥ ጐይታይ፡ ክርኢ፡ በሎ። 31ነቶም ዓሰርተው ክልተ ወሲዱ ድማ፡ እንሆ፡ ናብ የሩሳሌም ንድይብ ኣሎና፡ እቲ ብዛዕባ ወዲ ሰብ ኣብ ነብያት እተጻሕፈ ዅሉ ኸኣ ክፍጸም እዩ። 32ነህዛብ ኣሕሊፎም ክህብዎ፡ ከላግጹሉ፡ ክጸርፍዎ ጡፍውን ክብሉሉ፡ 33ገሪፎም ድማ ክቐትልዎ እዮም፡ ብሳልሰይቲ መዓልቲውን ክትንስእ እዩ፡ በሎም። 34ንሳቶም ግና ካብዚ ሓንቲ እኳ ኣየስተውዓሉን፡ እዚ ዘረባዚ ተሰዊርዎም ነበረ እሞ ነቲ እተዛረቦ ኣየስተብህልዎን ነበሩ። 35ኰነ ድማ፡ ናብ ያሪኮ ምስ ቀረቡ፡ እንሆ፡ ሓደ ዕዉር ኣብ ጥቓ መገዲ ተቐሚጡ ይልምን ነበረ። 36እኩብ ህዝቢ ኽሓልፍ ከሎ ሰሚዑ ኸኣ፥ እዚ እንታይ እዩ፧ ኢሉ ሓተተ። 37የሱስ፡ እቲ ናዝራዊ፡ ይሓልፍ ኣሎ፡ ኢሎም ነገርዎ። 38ንሱ ኸኣ፡ የሱስ ወዲ ዳዊት፡ ምሓረኒ፡ ኢሉ ጨርሐ። 39እቶም ቅድሚት ዝኸዱ ዝነበሩ ስቕ ክብል ገንሕዎ። ንሱ ግና፡ ወዲ ዳዊት፡ ምሓረኒ፡ ኢሉ ኣዝዩ ጨርሐ። 40-41የሱስ ከኣ ደው ኢሉ ናብኡ ኸምጽእዎ ኣዘዘ። ናብኡ ምስ ቀረበ ድማ፡ የሱስ፥ እንታይ ክገብረልካ ትደሊ ኣሎኻ፧ ኢሉ ሓተቶ። ንሱ ኸኣ፥ ጐይታይ፡ ክርኢ፡ በሎ። 42የሱስ ድማ፥ ርአ፡ እምነትካ ኣሕወየትካ፡ በሎ። 43ብኡብኡ ረኣየ፡ ንኣምላኽ እናኣመስገነ ኸኣ ሰዓቦ። እቶም ህዝቢ ዅሎምውን እዚ ምስ ረኣዩ፡ ንኣምላኽ ኣመስገንዎ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ወን.ሉቃስ ምዕራፍ 19
1የሱስ ኣብ ያሪኮ ኣትዩ ብእኣ ሓለፈ። 2እንሆ፡ ዘኬዎስ ዝስሙ ሰብኣይ ነበረ። ንሱ ሓለቓ ተገውቲ እዩ፡ ሃብታምውን እዩ። 3ንየሱስ ከኣ፡ ኣየናይ ምዃኑ ኽርእዮ ይደሊ ነበረ። ቍመቱ ሓጺር ስለ ዝነበረ ኸኣ፡ ካብ ብዝሒ እቲ ህዝቢ እተላዕለ ምኽኣል ሰኣነ። 4ምሕላፉ ብእኣ ነበረ እሞ፡ ቅድሚት ጐይዩ ኽርእዮ ናብ ሳግላ ሓዀረ። 5የሱስ ድማ ኣብታ ቦታ ምስ በጽሐ፡ ኣንቃዕሪሩ ጠሚትዎስ፥ ዘኬዎስ፡ ሎሚ ኣብ ቤትካ ኸውዕል ይግብኣኒ እዩእሞ፡ ቀልጢፍካ ውረድ፡ በሎ። 6ቀልጢፉ ወረደ ተሓጕሱውን ተቐበሎ። 7እዚ ምስ ረኣዩ ድማ፡ ኣብ ቤት ሓጥእ ሰብኣይ ክውዕል ኣተወ፡ ኢሎም ኵላቶም ኣዕዘምዘሙ። 8ዘኬዎስ ከኣ ተንሲኡ፡ ንጐይታ፡ ጐይታይ፡ እንሆ፡ ፈረቓ ጥሪተይ ንድኻታት እህብ፡ ገለ ዝዓመጽክዎ እንተሎውን፡ ኣርባዕተ ዕጽፊ እፈድዮ፡ በሎ። 9-10የሱስ ድማ፡ ወዲ ሰብ ንጥፉእ ክደልን ከድሕንን እዩ ዝመጸ እሞ፡ ነስኻ ኸኣ ወዲ ኣብርሃም ስለ ዝዀንካ፡ ሎሚ ነዛ ቤት ምድሓን ኰነላ፡ በሎ። 11ንሳቶም እዚ ኽስምዑ ኸለዉ ድማ፡ ናብ የሩሳሌም ቀሪቡ ነበረ እሞ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ከኣ ብኡብኡ ኸም እትገሃድ ይመስሎም ስለ ዝነበረ፡ ወሲኹ ምስላ ተዛረበ። 12ስለዚ በለ፡ ሓደ ውሉድ ጭዋ፡ መንግስቲ ተቐቢሉ ኽምለስ፡ ናብ ርሑቕ ሃገር ከደ። 13ንዓሰርተ ባሮቱ ጸዊዑ ኸኣ፥ ክሳዕ ዝመጽእ በዚ ንገዱ፡ ኢሉ ዓሰርተ ምና ሃቦም። 14ደቂ ዓዱ ግና ጸልእዎ እሞ፥ እዚ ኽነግሰና ኣይንደልን ኢና፡ ኢሎም ደድሕሪኡ ለኣኹ። 15ኰነ ድማ፡ መንግስቲ ተቐቢሉ ምስ ተመልሰ፡ ነቶም ወርቂ ዝሃቦም ባሮቱ፡ ክንደይ ዝኣክል ከም ዝረብሑ ኸፈልጥ፡ ክጽውዑሉ ኣዘዘ። 16እቲ ቐዳማይ፥ ጐይታይ፡ ምናኻ ዓሰርተ ምና ወሊዳ፡ ኢሉ ቐረበ። 17ንሱ ኸኣ፡ ኣታ ሕያዋይ ባርያ፡ ጽቡቕ ገበርካ። ብሒደት እሙን ኴንካ ኢኻ እሞ፡ ኣብ ዓሰርተ ኸተማ ተሸየም፡ በሎ። 18እቲ ኻልኣይ ድማ፥ ጐይታይ፡ እታ ምናኻ ሓሙሽተ ምና ወሊዳ፡ እናበለ መጸ። 19ነዚ ድማ፥ ንስኻውን ኣብ ሓሙሽተ ኸተማ ተሸየም፡ በሎ። 20-21ሓደ ኻልእ ድማ፥ ጐይታይ፡ ዘየንበርካዮ እተልዕል፡ ዘይዘራእካዮ እትዓጽድ ሓያል ሰብ ኢኻ እሞ፡ ፈሪሄካስ፡ እዛ ኣብ ቍራጽ ዓለባ ቛጺረ ዘጽናሕክዋ ምናኻ እንሃልካ፡ እናበለ መጸ። 22ንሱ ድማ፥ ኣታ እኩይ ባርያ፡ ከምቲ ኣፍካ ዝበሎ እፈርደካ ኣሎኹ። ኣነ ዘየንበርክዎ ዘልዕል፡ ዘይዘራእክዎ ዝዓጽድ ሓያል ሰብ ምዃነይ ፈሊጥካ ኸሎኻስ፡ 23ስለምንታይ ደኣ ነቲ ወርቀይ ኣብ ሸረፍቲ ዘየንበርካዮ፧ ኣነ መጺኤ ምስ ወለዱ ምወሰድክዎ ነይረ፡ በሎ። 24ነቶም ኣብኡ ደው ዝበሉ ሰባት ከኣ፡ እታ ምና ኣግድፍዎ እሞ ነቲ ዓሰርተ ምና ዘለዎ ሃብዎ፡ በሎም። 25ንሳቶም ከኣ፥ ጐይታይ፡ እትስ ዓሰርተ ምና ኣለዎ፡ በልዎ። 26ንሱ ድማ፥ ንዘለዎ ዘበለ ኽውሃቦ እዩ፡ ነቲ ዘይብሉ ግና እታ ዘላቶ እኳ ኸግድፍዎ እዮም፡ እብለኩም ኣሎኹ። 27ነዞም ኣነ ኽነግሶም ዘይደለዩ ጸላእተይ ግና ናብዚ ኣምጺእኩም ኣብ ቅድመይ ሕረድዎም፡ በለ። 28እዚ ምስ ተዛረበ፡ ናብ የሩሳሌም ክድይብ ንቕድሚት ደፍአ። 29ኰነ ድማ፡ ናብ ቤተፋጌን ናብ ቢታንያን ኣብ ጥቓ ደብረ ዘይቲ ዝብሃል ከረን ምስ ቀረበ፡ ካብ ደቀ መዛሙርቱ ኽልተ ለኣኸ፡ ከምዚ ኢሉ፥ 30ናብዛ ኣብ ቅድሜኹም ዘላ ዓዲ ኺዱ። ኣብኣ ምስ ኣቶኹም፡ ሰብ ዘይተወጥሖ እሱር ጻዕብ ክትረኽቡ ኢኹም። ንእኡ ፈቲሕኩም ኣምጽእዎ። 31ሓደ፥ ስለምንታይ ትፈትሕዎ ኣሎኹም፥ ኢሉ እንተ ሓተተኩም ከኣ፥ ጐይታ ይደልዮ ኣሎ፡ በልዎ። 32እቶም እተላእኩ ኸይዶም ከምታ ዝበሎም ረኸቡ። 33ንሳቶም ነቲ ጻዕብ ክፈትሕዎ ኸለዉ፡ ዋናታቱ፥ ነዚ ጻዕብ ስለምንታይ ትፈትሕዎ ኣሎኹም፧ በልዎም። 34ንሳቶም ድማ፥ ጐይታ ይደልዮ ኣሎ፡ በልዎም። 35ናብ የሱስ ሒዞምዎ መጹ። ኣብቲ ጻዕብ ክዳውንቶም ጠይቂ ምስ ገበሩ ኸኣ፡ ንየሱስ ኣብኡ ኣወጥሕዎ። 36ንሱ ክኸይድ ከሎ፡ ክዳውንቶም ኣብ መገዲ ኣንጸፉ። 37ናብ መወዳእታ ቝልቍል ደብረ ዘይቲ ምስ ቀረበ፡ ኵሎም እቶም ብዙሓት ደቀ መዝቅሙርቱ ብዛዕባ እቲ ዝረኣይዎ ዅሉ ሓይልታት ክሕጐሱን ንኣምላኽ ብዓብዪ ድምጺ ኸመስግንዎን ጀመሩ እሞ፡ 38ብስም እግዚኣብሄር ዝመጽእ ንጉስ ብሩኽ እዩ። ሰላም ኣብ ሰማይ፡ ክብሪ ኣብ ኣርያም፡ በሉ። 39ካብቲ እኩብ ህዝቢ ድማ ሓያሎ ፈሪሳውያን፡ መምህር፡ ንደቀ መዛሙርትኻ ግንሓዮም፡ በልዎ። 40ንሱ ኸኣ፥ እዚኣቶም እኳ ስቕ እንተ በሉ፡ እዞም ኣእማን ክጭድሩ እዮም፡ እብለኩም ኣሎኹ፡ ኢሉ መለሰሎም። 41ምስ ቀረበን ነታ ኽተማ ምስ ረኣያን፡ ከምዚ ኢሉ በኸየላ፥ 42ኣየ፡ ንስኺ በዛ መዓልቲኺ ንሰላምኪ ዝኸውን ነገር እንተ ትፈልጢ። ሕጂ ግና ካብ ዓንይንኺ ተኸዊሉ ኣሎ። 43ጻላእትኺ ቐጽሪ ቐጺሮም ዝዞሩኺ መዓልቲ ኽትመጸኪ እያ እሞ፡ ክኸቡኺ፡ በዝን በትን ከኣ ከጽብቡልኪ እዮም። 44ዘመን ምሕረትኪ ሳኣን ምፍላጥክስ፡ ንኣኽን ኣባኺ ንዝነብሩ ደቅኽን ክግምጥሉኹ፡ እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ ኣይክሓድጉልክን እዮም። 45ናብ ቤተ መቕደስ ኣትዩ ኸኣ፡ ነቶም ዝሸጡን ዝሻየጡን፥ 46ቤተይ ቤት ጸሎት እያ፡ ተጽሒፉ ኣሎ፡ ንስኻትኩም ግና በዓቲ ጐሓሉት ገበርኩምዋ፡ እናበሎም ከውጽእ ጀመረ። 47ኣብ ጸጽባሕ ከኣ ኣብ ቤተ መቕደስ ይምህር ነበረ። ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን ዓበይቲ ህዝብን ድማ ከጥፍእዎ ይደልዩ ነበሩ። 48ብዘሎ እቲ ህዝቢ ግና ክሰምዖ ደልዩ ይዓስሎ ነበረ እሞ፡ ዝገብርዎ ሰኣኑ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ወን.ሉቃስ ምዕራፍ 20
1ብሓንቲ ኻብተን መዓልትታት እቲኤን ድማ ዀነ፡ ንህዝቢ ኣብ መቕደስ ክምህሮም ወንጌልውን ክሰብከሎም ከሎ፡ ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን ምስ ዓበይቲ ዀይኖም ተንሲኦም፥ 2በየናይ ስልጣን ኢኻ እዚ እትገብር ዘሎኻ፧ እዚ ስልጣን እዝስ መን ሃበካ፧ እስኪ ንገረና፡ ኢሎም ተዛረብዎ። 3ንሱ ኸኣ፥ ኣነውን ሓንቲ ነገር እሓተኩም ኣሎኹ እሞ፡ ንገሩኒ፥ 4ጥምቀት ዮሃንስሲ ኻብ ሰማይዶ ወይስ ካብ ሰብ እያ፧ ኢሉ መለሰሎም። 5ንሳቶም ከኣ፡ ካብ ሰማይ እንተ በልናዮ፡ ከመይ ደኣ ዘይኣመንኩምዎ፡ ክብለና እዩ። 6ካብ ሰብ እንተ በልናዮ ኸኣ፡ ኵሉ ህዝቢ ዮሃንስ ነብዪ ምዃኑ ይኣምን እዩ እሞ፡ ብእምኒ ኽጭፍልቐና እዩ፡ ኢሎም ብልቦም ይሓስቡ ስለ ዝነበሩ፡ 7ካበይ ምዃኑ ኸም ዘይፈልጡ፡ መለሱሉ። 8የሱስ ከኣ፥ ኣነውን በየናይ ስልጣን እዚ ኸም ዝገብር፡ ኣይነግረኩምን እየ፡ በሎም። 9ነቶም ህዝቢ ኸኣ እዚ ምስላ እዚ ኽነግሮም ጀመረ፥ ሓደ ሰብኣይ ኣታኽልቲ ወይኒ ተኸለ፡ ንዓየይቲ ብመገስ ሂብዎም ከኣ፡ ነዊሕ ክድንጕ ናብ ካልእ ሃገር ከደ። 10ግዜኡ ምስ በጽሐ፡ ካብቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ፍረ ኽህብዎ ደልዩ፡ ንባርያኡ ናብቶም ዓየይቲ ለኣኾ። እቶም ዓየይቲ ግና ወቒዖም ጥራይ ኢዱ ሰደድዎ። 11ካልኣይ ባርያ ድማ ለኣኸ፡ ንእኡውን ወቐዖም፡ ኣዋሪዶም ጥራይ ኢዱ ሰደድዎ። 12መሊሱ ኸኣ ሳልሳይ ለኣኸ፡ ንእኡ ድማ ኣቝሲሎም ንወጻኢ ሰጐጕዎ። 13እቲ ዋና ኣታኽልቲ ወይኒ ድማ፥ እንታይ ደኣ ኽገብር እየ፧ ነዚ ዘፍቅሮ ወደይ ደኣ ኽሰድድ፡ ንእኡስ ይሓፍርዎ ግዲ ይዀኑ፡ በለ። 14እቶም ዓያይቲ ግና ምስ ረኣይዎ፡ ንሓድሕዶም፥ እዚ ወራሲ እዩ፡ እቲ ርስቱ ንኣና ምእንቲ ክኸውንሲ፡ ንዑ ንቕተሎ፡ ኢሎም ተማኸሩ። 15ካብቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ናብ ወጻኢ ኣውጺኦም ቀተልዎ። እቲ ዋና ኣታኽልቲ ወይኒኸ እንታይ ኰን ክገብሮም እዩ፧ 16መጺኡ ነቶም ዓየይቲ ኸጥፍእ፡ እቲ ኣታኽልቲ ወይኒውን ንኻልኦት ክህቦም እዩ። እዚ ምስ ሰምዑ፥ ያእ ኣይግበሮ፡ በሉ። 17ንሱ ግና ጠሚትዎም፥ እቲ ነደቕቲ ዝነዓቕዎ እምኒ፡ ንሱ ርእሲ መኣዝን ኰነ፡ ዝብል ጽሑፍዶ እንታይ እዩ፧ 18ኣብቲ እምኒ እቲ ዝወደቐ ዘበለ ኽስበር፡ እቲ እምኒ እቲ ዝወደቖ ድማ ክጭፍለቕ እዩ፡ በለ። 19ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን ከኣ ነዛ ምስላ እዚኣ ብዛዕባኦም ከም እተዛረባ ስለ ዝፈለጡ፡ በታ ሰዓት እቲኣ ኽሕዝዎ ደለዩ፡ ግናኸ ነቶም ህዝቢ ፈርሁ። 20ተጻናትዮም ብዘረባ ኽሕዝዎ እሞ ንመንግስትን ስልጣን ሹምን ኣሕሊፎም ምእንቲ ኽህብዎ፡ ቅኑዓት ተመሲሎም ዝጻናጸኑ ሰደዱ። 21ንሳቶም ከኣ፥ መምህር፡ ብሓቂ ደኣ መገዲ ኣምላኽ ትምህር እምበር፡ ገጽ ሰብ ርኢኻ ኸም ዘይተድሉን ሓቂ ኸም እትዛረብን ከም እትምህርን፡ ንፈልጥ ኣሎና። 22ንቄሳር ግብሪ ኽንህብሲ ተፈቒዱልና ድዩ ወይ ኣይፋሉን፧ ኢሎም ሓተትዎ። 23ንሱ ግና ጕርሖም ፈሊጡ፥ ንምንታይከ ትፍትኑኒ ኣሎኹም፧ 24እቲ ዲናር ኣርእዩኒ። ምስሉን ጽሕፈቱን ናይ መን እዩ፧ በሎም። ንሳቶም ከኣ፥ ናይ ቄሳር፡ በሉ። 25ንሱ ድማ፥ እምብኣርሲ ናይ ቄሳር ንቄሳር፡ እቲ ናይ ኣምላኽ ከኣ ንኣምላኽ ሃቡ፡ በሎም። 26ኣብ ቅድሚ እቲ ህዝቢ ብዘረባኡ ኽሕዝዎ ኣይከኣሉን እሞ፡ በቲ ምላሹ ተገሪሞም ኣጽቀጡ። 27ካብቶም ትንሳኤ ምውታት የልቦን ዝብሉ ሰዱቃውያን ድማ ሓያሎ ናብኡ መጺኦም ሓተትዎ፡ 28ከምዚ ኢሎም፥ ዎ መምህር፡ ሓደ ሰበይቲ ዘላቶ ሓድጊ ኸይሓደገ እንተ ሞተ፡ ሓዉ ነታ ሰበይቲ ይውረሳ እሞ ንሓዉ ሓድጊ የቝመሉ፡ ኢሉ ሙሴ ጸሓፈልና። 29እምብኣርከ ሾብዓተ ኣሕዋት ነበሩ። እቲ ቕዳማይ ሰበይቲ ኣእትዩ ኸይወለደ ሞተ። 30እቲ ኻልኣይ ድማ ወረሳ፡ ንሱ ኸኣ ከይወለደ ሞተ። 31እቲ ሳልሳይ ድማ ወረሳ፡ ከምእውን ሾብዓቲኦም ኣእትዮምዋስ፡ ውሉድ ከይሓደጉ ሞቱ። 32መወዳእታኡ እታ ሰበይቲውን ሞተት። 33እምብኣርሲ፡ ሾብዓቲኦም ኣእትዮምዋ ነይሮም እዮም እሞ እታ ሰበይቲ እቲኣ ብትንሳኤስ ሰበይቲ መኖም ክትከውን እያ፧ 34የሱስ ከኣ በሎም፥ ደቂ እዛ ዓለም እዚኣ የእትዉን የተኣታትዉን እዮም። 35-36እቶም ነታ ዓለም እቲኣን ንትንሳኤ ምዉታትን ንምርካብ ዝበቕዑ ግና ውሉድ ትንሳኤ ብምኳኖም ውሉድ ኣምላኽ እዮም፥ ከም መላእኽቲ ስለ ዝዀኑውን፡ ድሕርዚ ኽሞቱ ኣይከኣሎምን እዩ፡ ኣየእትዉን ኣየተኣታትዉን እዮም። 37ምዉታት ከም ዝትንስኡ ግና፡ ሙሴ ድማ ኣብቲ ኣሻዅ ቈጥቋጥ ንእግዝኣብሄር ኣምላኽ ኣብርሃምን ኣምላኽ ይስሃቅን ኣምላኽ ያእቆብን ብምባሉ ኣርኣየ። 38ንእኡ ዅሎም ህያዋን እዮም እሞ፡ ንሱስ ናይ ህያዋን እምበር፡ ናይ ምዉታት ኣምላኽ ኣይኰነን። 39ሓይሎ ኻብ ጸሓፍቲ ኸኣ፥ መምህር፡ ጽቡቕ ተዛሪብካ፡ ኢሎም መለሰሉ። 40ድሕርዚ ገለ ኽሓትዎ እኳ ኣይደፈሩን። 41-43ንሱ ድማ፡ ዳዊት ባዕሉ ኣብ መጽሓፍ መዝሙራት፥ ጐይታ ንጐይታይ፥ ንጸላእትኻ መርገጽ እግርኻ ኽሳዕ ዝገብሮም፡ ኣብ የማንይ ተቐመጥ፡ በሎ፡ ይብል እዩ እሞ፡ ከመይ ኢሎም ደኣ እዮም፥ ክርስቶስ ወዲ ዳዊት እዩ ዝብሉ፧ 44እምብኣርሲ ዳዊት ጐይታይ ካብ ዝብሎ፥ ከመይ ኢሎ ደኣ ወዱ ይኸውን፧ በሎም። 45ብዘሎ እቲ ህዝቢ ኽሰምዕ ከሎ ኸኣ፡ ንደቀ መዛሙርቱ፥ 46ወለል ብዝብል ክዳውንቲ ምዝዋር ካብ ዝደልዩ፡ ኣብ ዕዳጋ ምስላም፡ ኣብ ቤት ጸሎትውን ኣውራ መቐመጢ፡ ኣብ ምሳሕ ከኣ ኣውራ ስፍራ ኻብ ዝፈትዉ ጸሓፍቲ ተጠንቀቑ። 47እቶም ኣባይቲ መበለታት ዝውሕጡ፡ ንምኽንያትውን ጸሎት ዘንውሑ፡ ንሳቶም ዝገደደ ፍርዲ ኽረኽቡ እዮም፡ በሎም።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ወን.ሉቃስ ምዕራፍ 21
1ቍሊሕ ኢሉ፡ ሃብታማት መባኦም ኣብቲ ሳጹን ምጽዋት ከመይ ገይሮም ከም ዘውድቑ ረኣየ። 2ሓንቲ ድኻ መበለት ከኣ ኣብኡ ኽልተ ለብጦን ከተውድቕ ከላ ረኣየ እሞ፥ 3ካብ ኵላቶም እዛ ድኻ መበለት እዚኣ ኣብዚሓ ኸም ዘውደቐት፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 4እዚኣቶምሲ ዅላቶም መባእ ካብ ተረፎም እዮም ዘውድቑ፡ እዚኣ ግና ካብ ስእነታ ዘለዋ ዅሉ ምግባ እያ ዘውደቐት፡ በለ። 5ሓያሎ ብዛዕባ ቤተ መቕደስ፡ ብጽቡቕ ኣእማንን ብዘውደቕዎ ስልማትን ተሰሊሙ ኸም ዘሎ፡ ክዛረቡ ኸለዉ፡ ንሱ፡ 6እዚ እትርእይዎ ዘሎኹም፡ ዘይፈርስ እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ ዘይተርፈሉ መዓልትታት ክመጻ እየን፡ በለ። 7ንሳቶም ከኣ፥ ዎ መምህር፡ እዚ መኣዝ እዩ ዝኸውን፡ ኣጋ እዚ ዝዀነሉኸ ትእምርቱ እንታይ እዩ፡ ኢሎም ሓተትዎ። 8ንሱ ኸኣ፥ ኣነ እየ፡ እቲ ዘመን ከኣ ቀሪቡ እዩ፡ እናበሉ ብዙሓት ብስመይ ክመጹ እዮም እሞ ደድሕሪኦም ኣይትስዓቡ፡ ከይትስሕቱ ተጠንቀቑ። 9ብዛዕባ ውግእን ዕልወትን እንተ ሰማዕኩም፡ ኣይትሰምብዱ። እዚ ቕድም ክኸውን ብግዲ እዩ እሞ፡ መወዳእታ ግና ብኡብኡ ኣይከውንን እዩ፡ በለ። 10ሽዑ በሎም፥ ህዝቢ ናብ ህዝቢ መንግስቲውን ናብ መንግስቲ ኽለዓል እዩ። 11ኣብ በቦታኡ ድማ ጥሜትን ፌራን ዓብዪ ምንቅጥቃጥ ምድርን ክኸውን፡ ካብ ሰማይውን መፍርህን ዓብዪ ትእምርትን ክኸውን እዩ። 12ቅድሚ ዅሉ ኸኣ ክሕዙኹምን ክሰጕኹምን እዮም። ስለ ስመይ ከኣ ናብ ቤት ጸሎትን ናብ ቤት ማእሰርትን ክወስዱኹም፡ ናብ ነገስታትን ሹማትን ከብጽሑኹም እዮም። 13እዚ ንምስክር ክዀነኩም እዩ። 14-15ኣነ ንዅሎም መኻራኽርትኹም ምቅዋሙን ምምጓቱን ዘይከኣሎም ኣፍን ጥበብን ክህበኩም እየ እሞ፡ ስለዚ ኸመይ ከም እትመልሱ፡ ቅድም ከይትሓልዩ፡ ኣብ ልብኹም ኣንብርዎ። 16ወለድን ኣሕዋትን ኣዝማድን ኣዕሩኽን ኣሕሊፎም ክህቡኹም፡ ካባካትኩምውን ንሓያሎ ክቐትሉ እዮም። 17ስለ ስመይ ከኣ ኵሉ ኽጸልኣኩም እዩ። 18ግናኸ ኻብ ርእስኹም ሓንቲ ጸጕሪ እኳ ኣይክትጠፍእን እያ። 19ንነፍስኹም ብትዕግስትኹም ከተጥርይዋ ኢኹም። 20የሩሳሌም ብሰራዊት ተኸቢባ እንተ ርኤኹም፡ ሽዑ ጥፍኣታ ኸም ዝቐረበ ፍለጡ። 21ሽዑ ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ናብ ኣኽራን ይህደሙ፡ ኣብ ውሽጣ ዘለዉ ኸኣ ካብኣ ይውጽኡ፡ ኣብ ሃገረ ሰብ ዘለዉውን ናብኣ ኣይእተዉ። 22እዚ፡ እቲ ጽሑፍ ዘበለ ምእንቲ ኽፍጸምሲ፡ ወርሓት ሕነ እዩ። 23በተን መዓልትታት እቲኣተን ግና ንጥኑሳትን ንዘጥብዋን ወይለኤን። ኣብ ምድሪ በርቱዕ መከራ ክኸውን እዩእሞ፡ ኣብዚ ህዝቢ እዚ ድማ መዓት ክወርድ እዩ። 24ብስሕለት ሰይፊ ኽወድቁ፡ ናብ ኵሎም ኣህዛብውን ክማረኹ እዮም። ዘመናት ኣህዛብ ክሳዕ ዝፍጸም፡ የሩሳሌም በህዛብ ክትርገጽ እያ። 25ኣብ ጸሓይን ወርሕን ከዋኽብትን ከኣ ትእምርቲ ክኸውን እዩ። ኣብ ምድሪውን ጸበባ ኣህዛብ ክኸውን፡ ብደሃይ ባሕርን ማዕበልን ከኣ ዝገብርዎ ኽጠፍኦም እዩ። 26ሕያሊ ሰማያት ከንቀጥቅጥ እዩ እሞ፡ ብፍርሃትን ኣብ ዓለም ብዝመጽእ ምጽባይን ነፍሲ ሰብ ክትወጽእ እያ። 27ሽዑ ንወዲ ሰብ፡ ምስ ብዙሕ ሓይልን ግርማን ብደበና ሰማይ ክመጽእ ከሎ፡ ክርእይዎ እዮም። 28እዚ ምዃን ምስ ጀመረ፡ ምድሓንኩም ቀሪቡ እዩ እሞ፡ ቅንዕ በሉ ርእስኹምውን ኣልዕሉ። 29ሓደ ምስላ ድማ ነገሮም፥ ኣብ ኦም በለስን ኣብ ኵሉ ኦምን ርኣዩ። 30ምጥጣዑ ኽትርእዩ ኸሎኹም፡ ክረምቲ ምቕራቡ ባዕላትኩም ትፈልጡ ኢኹም። 31ከምኡ ድማ ንስኻትኩም እዚ ዀይኑ ኽትርእዩ ኸሎኹም፡ መንግስቲ ኣምላኽ ምቕራባ ፍለጡ። 32እዚ ዅሉ ኽሳዕ ዝኸውን፡ እዚ ወለዶ እዚ ኸም ዘይሓልፍ ብሓቂ እብለኩም እሎኹ። 33ሰማይን ምድርን ክሓልፍ፡ ቃለይ ግና ኣይክሓልፍን እዩ። 34-35ግናኸ እታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ኵላ ዝባን ምድሪ ንዝነብሩ ዘበሉ ኸም መፈንጠራ ኽትበጽሖም እያእሞ፡ ስስዐን ስኽራንን ሓልዮት ሓዳርን ንልብኹም ከይኸብድ፡ እታ መዓልቲ እቲኣ ብድንገት ከይትመጻኩምሲ፡ ንነፍስኹም ተጠንቀቑ። 36ስለዚ ካብዚ ዝመጽእ ኵሉ ነገር ንምምላቝን ኣብ ቅድሚ ወዲ ሰብ ደው ንምባልን ሓይሊ ምእንቲ ኽትረክቡስ፡ ኵሉ ሳዕ እናጸሌኹም ንቕሑ። 37መዓልተ መዓልቲ ኣብ ቤት መቕደስ ይምህር፡ ለይተ ለይቲ ኸኣ ኣብ ደብረ ዘይቲ ዝብሃል ከረን ደዪቡ ይሓድር ነበረ። 38ብዘሎ እቲ ህዝቢ ድማ ኣብ ቤተ መቕደስ ንእኡ ኽሰምዕ ናብኡ የንግህ ነበረ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ወን.ሉቃስ ምዕራፍ 22
1ፋስጋ ዝብሃል በዓል ቅጫ ድማ ቐረበ። 2ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን ነቶም ህዝቢ ደኣ ፈሪሆም እምበር፡ ከመይ ገይሮም ከም ዘጥፍእዎ ይደልዩ ነበሩ። 3ሰይጣን ግና ናብቲ ኣስቆሮታዊ ዝብሃል ይሁዳ ኣተወ፡ ንሱ ኻብ ቍጽሪ እቶም ዓሰርተው ክልተ እዩ፡ 4ከይዱ ኸኣ፡ ናብቶም ሊቃውንቲ ኻህናትን ሓላቑ ሓለውቲ መቕደስን ከመይ ገይሩ ኸም ዘትሕዞ፡ ተዛረበ። 5ተሓጕሶም ከኣ ኣቕራሽ ክህብዎ ኣውዓሉሉ። 6ንሱ ድማ ተሳማምዖም፡ ኣኼባ ህዝቢ ብዘብላ ግዜ ኸትሕዞውን ምሽእቲ ግዜ ይደሊ ነበረ። 7እታ ገንሸል ፋስጋ ኽሓርዱላ ዝግባእ መዓልቲ በዓል ቅጫ ኸኣ መጸት። 8የሱስ ድማ ንጴጥሮስ ዮሃንስን፥ ክዱ ክንበልዕሲ ገንሸል ፋስጋ ኣዳልዉልና፡ ኢሉ ለኣኾም። 9ንሳቶም ከኣ፥ ኣበይ ከነዳሉ ትፈቱ፧ በልዎ። 10ንሱ ድማ በሎም፥ እንሆ፥ ኣብ ከተማ ምስ ኣቶኹም፡ ዕትሮ ማይ ዝጾረ ሰብኣይ ክጓነፈኩም እዩ እሞ፡ ናብታ ዝኣትዋ ቤት ስዓብዎ። 11ነቲ ብዓል ቤት ከኣ፥ እታ ምስ ደቀ መዛሙርተይ ገንሸል ፋስጋ ዝበልዓላ ማሕደር ኣጋይሽሲ ኣበይ እያ፧ ይብለካ ኣሎ መምህር፡ በልዎ። 12ንሱ ኸኣ እተነጽፈ ኣዳራሽ ኣብ ደርቢ ኸርእየኩም እዩ፡ ኣብኡውን ኣዳልዉ። 13ከይዶም ከምታ ዝበሎም ረኸቡ፡ ገንሸል ፋስጋውን ኣዳለዉ። 14እታ ሰዓት ምስ በጽሐት፡ ምስቶም ዓሰርተው ክልተ ሃዋርያት ኣብ መኣዲ ተቐመጠ። 15-16ንሱ ድማ፥ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ክሳዕ ዝፍጸም፡ ደጊም ካብዚ ኸም ዘይበልዕ፡ እብለኩም ኣሎኹ እሞ፡ ቅድሚ ስቓየይ ምሳኹም ገንሸል ፋስጋ ኽበልዕ፡ ብዙሕ ሃረር ኢለ ኣሎኹ፡ በሎም። 17-18ጽዋእ ኣልዒሉ ኣመስጊኑ ድማ፥ መንግስቲ ኣምላኽ ክሳዕ እትመጽእ፡ ካብዚ ፍረ ኦም ወይኒ ኸም ዘይሰቲ እብለኩም ኣሎኹ እሞ፡ ውሰዱ፡ እዚ ንሓድሕድኩም ተማቐልዎ፡ በለ። 19እንጌራ ኣልዒሉ ድማ ኣመስጊኑ ቘሪሱ፥ እዚ ምእንታኹም ዝውሃብ ዘሎ ስጋይ እዩ፡ እዚ ንመዘከርታይ ግበርዎ፡ ኢሉ ሃቦም። 20ከምኡ ድማ ድሕሪ ድራር ነታ ጽዋእ ኣልዒሉ፥ እዛ ጽዋዕ እዚኣ እቲ ምእንታኹም ብዝፈስስ ዘሎ ደመይ እተገብረ ሓድሽ ኪዳን እያ። 21ግናኸ ኢድ እቲ ዘትሕዘኒ ኣብ መኣዲ ምሳይ እንሃ። 22ወዲ ሰብሲ ኸምቲ እተመደበሉ ይኸይድ እዩ፡ ነቲ ወዲ ሰብ ብእኡ ዝተሓዝ ሰብኣይ ግና ወይለኡ፡ በለ። 23ካባታቶም እቲ እዚኣ ዝገብር መን ምዃኑ ኸኣ፡ ንሓድሕዶም ክማራመሩ ጀመሩ። 24መኖም ዓብዪ መሲሉ ኸም ዝርኤ ኸኣ፡ ኣብ ማእከሎም ክርክር ኰነ። 25ሽዑ ንሱ በሎም፥ ነህዛብ ነገስታቶም እዮም ዝገዝእዎም፡ እቶም ምልኪ ዘለዎም ከኣ ሕያዎት ይብሃሉ። 26ንስኻትኩም ግና ከምኡ ኣይትኹኑ፥ እቲ ኣባኻትኩም ዓብይስ ከም ንእሽቶ፡ እቲ ጐይታውን ከም ግዙእ ደኣ ይኹን። 27እቲ ኣብ መኣዲ ዝቕመጥን እቲ ዘገልግልንከ ኣየናዮም ይዓቢ፧ እቲ ኣብ መኣዲ ዝቕመጥ ደይኰነን፧ ኣነ ግና ኣብ ማእከልኩም ከም ኣገልጋሊ እየ። 28ንስኻትኩም ግና ብፈተና ምሳይ እተዓገሰኩም ኢኹም። 29-30ኣብታ መንግስተይ ኣብ መኣደይ ምእንቲ ኽትበልዑን ክትሰትዩን፡ ኣብ ዝፋናት ተቐሚጥኩም ከኣ ንዓሰርተው ክልተ ነገድ እስራኤል ክትፈርዱንሲ፡ ከምቲ ንኣይ ኣቦይ ዝመደበለይ፡ ንኣካትኩም ከኣ ኣነ መንግስቲ መደብኩልኩም። 31ስምኦን፡ ስምኦን፡ እንሆ፡ ሰይጣን ከም ስርናይ ክሓሕየኩም ተመነየ። 32ኣነ ግና፡ እምነትካ ኸይትጠፍእ፡ ምእንታኻ ለመንኩ። ንስኻ ድማ ምስ ተመለስካ፡ ነሕዋትካ ኣጸናንዓዮም። 33ንሱ ግና፥ ጐይታይ፡ ኣነስ ንማእሰርቲ ዀነ ወይ ንሞት ምሳኻ ንምኻድ ተዳልየ ኣሎኹ፡ በሎ። 34ንሱ ኸኣ፥ ጴጥሮስ፡ ከም ዘይትፈልጠኒ ኢልካ ሰለሰተ ሳዕ ክሳዕ እትኽሕደኒ፡ ሎሚ ደርሆ ኸም ዘይንቁ፡ እብለካ ኣሎኹ፡ በሎ። 35ደሓር ከኣ፥ እቲ ብዘይ ማሕፉዳ፡ ብዘይ ስንቂ፡ ብዘይ ሳእኒ ምስ ለኣኽኩኹምሲ፡ ገለዶ ጐዲሉኩም፧ በሎም። ንሳቶም ከኣ፥ ሓንቲ እኳ በሉ። 36በሎም፥ ሕጂ ግና ማሕፉዳ ዘልዎ ይማላእ፡ ከምእዉን ስንቂ። እቲ ዘይብሉ ኸኣ ክዳኑ ሸይጡ ሰይፊ ይሻየጥ፡ 37ማለት እቲ ምስ ዓመጽቲ ተቘጽረ፡ ዝብል ጽሑፍ ኣባይ ክፍጸም ብግዲ እዩ፡ እብለኩም ኣሎኹ፡ እወ፡ እቲ ብዛዕባይ ቅድም እተባህለ ይፍጸም ኣሎ። 38ንሳቶም ከኣ፥ ጐይታይ፡ እንሆ፡ ኣብዚ ኽልተ ሰይፊ ኣሎ፡ በሉ። ንሱውን፥ ይኣክል፡ በሎም። 39ወጺኡ ኸኣ ከምታ ልማዱ ናብ ደብረ ዘይቲ ኸደ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቱውን ሰዓብዎ። 40ኣብታ ስፍራ ምስ በጽሐ ኸኣ፥ ናብ ፈተና ኸይትኣትዉ፡ ጸልዩ፡ በሎም። 41ንሱ ኸኣ ካባታቶም ዳርባ እምኒ ዝኣክል ርሒቑ ተምበርኪኹ፥ 42ኣቦይ፡ ፍቓድካ እንተ ዀይኑ፡ ነዛ ጽዋእ እዚኣ ካባይ ኣሕልፋ። ግናኸ ፍቕድካ እምበር፡ ፍቓደይሲ ኣይኹን፡ እናበለ ጸለየ። 43ዘበርትዖ መልኣኽ ካብ ሰማይ ተራእዮ። 44ጻዕረ ሞት ሒዝዎ፡ ኣጽኒዑ ይልምን ነበረ። ረሃጹ ኻኣ ከም ነጥቢ ደም ናብ ምድሪ ይነጥብ ነበረ። 45ካብ ጸሎቱ ተንሲኡ ናብቶም ደቀ መዛሙርቱ ምስ መጸ ድማ፡ ብጓሂ ረዚዞም፡ ደቂሶም ረኸቦም። 46ንሱ ኸኣ፥ ከመይከ እትድቅሱ፧ ናብ ፈተና ኸይትኣትዉስ፡ ተንሲእኩም ጸልዩ፡ በሎም። 47ንሱ ክዛረብ ከሎ፡ እንሆ፡ ብዙሕ ህዝቢ መጸ፡ ካብቶም ዓሰርተው ክልተስ ይሁዳ ዝበሃል ድማ ቀቅድሚኦም ይኸይድ ነበረ፡ ንየሱስውን ክስዕሞ ቐረበ። 48የሱስ ድማ፥ በል ይሁዳ፡ ንወዲ ሰብዶ ብምስዓም ተትሕዞ ኣሎኻ፧ በሎ። 49እቶም ኣማእኪሎምዎ ዘለዉ ኸኣ እቲ ዝዀነ ምስ ረኣዩ፥ ጐይታይ፡ ብሰይፊዶ ኽንወቅዕ፧ በልዎ። 50ሓደ ኻባታቶም ንባርያ ሊቀ ኻህናት ወቒዑ፡ የማነይቲ እዝኑ ቘረጾ። 51የሱስ ከኣ፥ ክሳዕዚ ይብጽሑ ሕደግዎም፡ ኢሉ መለሰሎም። እዝኑ ተንክዩውን ኣሕወዮ። 52የሱስ ነቶም ናብኡ ዝመጹ ሊቃውንቲ ኻህናትን ሓላቑ ሓለውቲ ቤተ መቕደስን ዓበይትን፥ ከም ናብ ከታሪዶ ኣስያፍን ኣባትርን ሒዝኩም ወጻእኩም፡ 53ኣብ ቤተ መቕደስ ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም ነይረ፡ ኣእዳውኩም እኳ ወስ ኣየበልኩምለይን። እዚኣ ግና ግዜኹምን ስልጣን ጸልማትን እያ፡ በሎም። 54ሒዞም ከኣ ወሰድዎ፡ ናብ ቤት ሊቀ ኻህናትውን ኣእተውዎ። ጴጥሮስ ከኣ ርሕቕ ኢሉ ይስዕቦ ነበረ። 55ኣብ ማእከል እቲ መከበባያ ከኣ ሓዊ ኣንዲዶም ብሓንስእ ተቐሚጦም ከለዉ፡ ጴጥሮስ ኣብ ማከሎም ተቐመጠ። 56ሓንቲ ገረድ ኣብ ጥቓ እቲ ሓዊ ተቐሚጡ ምስ ረኣየቶ፡ ጠሚታቶ፥ እዚውን ምስኡ ነይሩ እዩ፡ በለት። 57ንሱ ግና፡ ኣቲ ሰበይቲ፡ ኣይፈልጦን እየ ኢሉ ኸሓደ። 58ቅሩብ ጽንሕ ኢሉ ኸኣ፡ ሓደ ኻልእ ርእይዎ፥ ንስኻውን ካባታቶም ኢኻ፡ በለ። ጴጥሮስ ግና፥ ኣታ ሰብኣይ፡ ኣይፋለይን፡ በለ። 59ሓንቲ ሰዓት እትኣክል ምስ ሓለፈት ከኣ፡ ሓደ ኻልእ፥ እዚ ድማ ብሓቂ ምስኡ ነይሩ እዩ፡ ገሊላዊ ኸኣ እዩ፡ ኢሉ ኣርጊጹ ተዛረበ። 60ጴጥሮስ ድማ፡ ኣታ ሰብኣይ፡ እዚ እትብሎ ዘሎኻ ኣይፈልጦን እየ፡ በሎ። ሽዑ ገና እዚኣ ክኦዛረብ ከሎ፡ ብኡብኡ ደርሆ ነቀወ። 61ጐይታ ኸኣ ግልጽ ኢሉ ንጴጥሮስ ጠመቶ። ጴጥሮስ ከኣ፥ ሎሚ ደርሆ ኸይነቀወ፡ ሰለስተ ሳዕ ክትክሕደኒ ኢኻ፡ ዝበሎ ቓል ጐይታ ዘከረ፡ 62ናብ ወጻኢ ከይዱውን መሪር ብኽያት በኸየ። 63እቶም ንየሱስ ዝሓዝዎ ሰባት ድማ የላግጹሉን ይወቕዕዎን ነበሩ። 64ሸፊኖም ድማ ገጹ ይጸፍዕዎ፥ እስኪ ተነበየልና፡ መን እዩ ዝጸፍዓካ፡ እናበሉውን ይሓትዎ ነበሩ። 65እናጸረፍዎ ኸኣ ብዙሕ ካልእ ነገር በልዎ። 66-67ምድሪ ምስ ወግሐ፡ ዓበይቲ ህዝብን ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን ተኣኪቦም፥ ንስኻ እቲ ክርስቶስ እንተ ዄንካስ፡ እስኪ ንገረና፡ ኢሎም ናብ ዋዕላኦም ወሰድዎ። ንሱ ኸኣ፥ እንተ ነገርኩኹም፡ ኣይትኣምኑን፡ 68እንተ ሓተትኩኹም ድማ፡ ኣይትምልሱለይን ኣይትፈትሑንንውን ኢኹም። 69ወዲ ሰብ ግና ካብ ሕጂ ኣብ የማን ሓይሊ ኣምላኽ ክቕመጥ እዩ፡ በሎም። 70ኵሎም ከኣ፥ እምብኣርከ ንስኻስ ወዲ ኣምላኽ ኢኻ፧ በልዎ። ንሱ ኸኣ፥ ኣነ ኸምኡ እየ እሞ፡ ንስኻትኩም እኳ ትብሉ ኣሎኹም፡ በሎም። 71ንሳቶም ከኣ፥ ባዕላትና ኻብ ኣፉ ድሕሪ ሰማዕናኸ፡ ደጊም እንታይ ምስክር የድልየና፧ በሉ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ወን.ሉቃስ ምዕራፍ 23
1እቶም እተኣከቡ ዅላቶም ተንሲኦም፡ ናብ ጲላጦስ ወሰድዎ። 2ንሳቶም ከኣ፥ እዚ፡ ንህዝብና ኸስሕቶም፡ ንቄሳር ግብሪ ኸይግብሩ ኸኣ ክኽልክሎም፡ ርእሱ፥ ክርስቶስ ንጉስ እየ፡ ኢሉውን ክዛረቦም ከሎ ረኺብናዮ፡ ኢሎም ክኸስዎ ጀመሩ። 3ጲላጦስ ከኣ፥ ንስኻዶ ንጉስ ኣይሁድ ኢኻ፧ ኢሉ ሕተቶ። ንሱ ድማ፥ ንስኻ እኳ ትብል ኣሎኻ፡ ኢሉ መለሰሉ። 4ጲላጦስ ድማ ንሊቃውንቲ ኻህናትን ነቶም ሰብን፥ ኣብዚ ሰብኣይዚ ሓንቲ በደል እኳ ኣይረኸብኩን፡ በሎም። 5ንሳቶም ግና፥ ካብ ገሊላ ሒዙ ኽሳዕ ኣብዚ ኣብ ብዘላ ይሁዳ እናመሃረ ንህዝቢ የባዕድ ኣሎ፡ ኢሎም ወዓዩ። 6ጲላጦስ ከኣ ገሊላ ኽብሉ ምስ ሰምዐ፡ ገሊላዊ እንተ ዀይኑ ሓተተ። 7ካብ ግዝኣት ሄሮድስ ምዃኑ ምስ ፈለጠ ድማ፡ ናብ ሄሮድስ ሰደዶ። ንሱውን በታ ቕነ እቲኣ ኣብ የሩሳሌም ነበረ። 8ሄሮድስ ንየሱስ ምስ ረኣዮ፡ ብዛዕባኡ ብዙሕ ነገር ስለ ዝሰምዐ፡ ካብ ነዊሕ ግዜ ሒዙ ኽርእዮ ይደሊ ነበረ፡ ንሱ ዝገብሮ ተኣምራትውን ክርኢ ይጽበ ነበረ እሞ፡ ኣዝዩ ተሓጐሰ። 9ብናይ ብዙሕ ነገር ከኣ ሓተቶ፡ ንሱ ግና ሓንቲ እኳ ኣይመለሰሉን። 10ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን ከኣ ደው ኢሎም ኣበርቲዖም ይኸስዎ ነበሩ። 11ሄሮድስ ድማ ምስ ገላዉኡ ዀይኑ ኣቃለሎን ኣላገጸሉን፡ ብርቕርቕ ዝብል ክዳን ከዲኑ ኸኣ ናብ ጲላጦስ መሊሱ ሰደዶ። 12ቀደም ጲላጦስን ሄሮድስን ጽልኢ ነይሮምሲ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ተፋቐሩ። 13ጲላጦስ ግና ንሊቃውንቲ ኻህናትን ንዓበይትን ንህዝብን ብሓባር ጸዊዑ፥ 14ነዚ ሰብኣይ እዚ፥ ንህዝቢ የስሕት ኣሎ፡ ኢልኩም ናባይ ኣምጺእኩምዎ፡ እንሆ፡ ኣብ ቅድሜኹም መርሚረዮስ፡ በዚ እትኽስዎ ዘሎኹም ነገር ኣብዚ ሰብኣይ እዚ ሓንቲ በደል እኳ ኣይረኸብኩን። 15ሄሮድስውን ከምኡ፡ ንሱ መሊሱ ናባና ሰዲድዎ እዩ እሞ፡ እንሆ፡ ናብ ሞት ዘብጽሕ ነገር ሓንቲ እኳ ኣይገበረን። 16ደጊም ቀጺዐ ኽፈትሖ እየ፡ በሎም። 17በብበዓል ግና ሓደ እሱር ክፈትሓሎም ልማድ ነበረ። 18እቶም ህዝቢ ድማ ኵሎም፥ ነዚ ንየው በሎ፡ ንበርባን ደኣ ፍትሓልና፡ ኢሎም ሓቢሮም ጨደሩ። 19በርባን ብምብዓድ ከተማን ብምቕታል ንፍስን ተኣሲሩ ዝነበረ እዩ። 20ጲላጦስ ድማ ንየሱስ ክሰዶ ደልዩ፡ ከም ብሓድሽ ተዛረቦም። 21ንሳቶም ግና፥ ስቐሎ፡ ስቐሎ፡ ኢሎም ጨደሩ። 22ሳልሳይ ግዜ ኸኣ፥ እንታይ ክፋእከ ገበረ፡ ንሞት ዝኸውን ምኽንያት ኣይረኸብኩሉን። ቀጺዐ ግዳ ኽፈትሖ፡ በሎም። 23ንሳቶም ግና ኣዝዮም ዓው ኢሎም ክሰቕሎ ኣጽኒዖም ለመንዎ እሞ ቃሎም ሰዓረ። 24ጲላጦስ ድማ ልማኖኦም ክዀነሎም ፈረደ። 25ነቲ ዝለመንዎ ብምብዓድን ብምቕታልን ተኣሲሩ ዝነበረ ፈትሓሎም፡ ንየሱስ ግና ንፍቓዶም ኣሕሊፉ ሃቦ። 26ሒዞምዎ ክኸዱ ኸለዉ ኸኣ፡ ንስምኦን ቀሬናዊ ካብ በረኻ ኽኣቱ ኸሎ፡ ሓዝዎ። ደድሕሪ የሱስ ክጸውር ከኣ እቲ መስቀል ኣሰከምዎ። 27ብዙሕ ህዝቢ ኸኣ ይስዕቦ ነበረ፡ ኣንስቲውን ዋይዋይ ይብላሉን ይበኽያሉን ነበራ። 28-29የሱስ ድማ ናባታተን ግልጽ ኢሉ፥ ኣትን ኣዋልድ የሩሳሌም፡ ኣካ እዝጊ ሃባ እታ መኻን ዘይወለደት ከርስን ዘየጥበዋ ኣጥባትን፡ ዝብሉለን መዓልትታት ክመጻ እየን እሞ፡ ንርእስኽንን ንደቕኽንን ደኣ ብኸያ እምበር፡ ንኣይሲ ኣይትብከያለይ። 30-31ኣብ ጥሉል ኦም ከምዚ ኻብ ገበሩስ፡ ኣብቲ ንቑጽ ደኣ ኸመይ ክኸውን እዩ፡ ሽዑ ነኽራን ኣብ ልዕሌና ውደቑ፡ ንዅርባታትውን ከውሉና ምባል ክጅምሩ እዮም፡ በለን። 32ንኽልተ ኻልኦት ገበርቲ ኽፉእውን ምስኡ ኽስቀሉ ኣምጽእዎም። 33ቀራንዮ ኣብ እትብሃል ስፍራ ምስ በጽሑ፡ ኣብኣ ሰቐልዎ። ነቶም ገበርቲ ኽፉእ ከኣ ሓደ ብየማኑ ሓደውን ብጸጋሙ ሰቕልዎም። 34የሱስ ድማ፥ ኣቦይ፡ ዝገብርዎ ኣይፈልጡን እዮም እሞ፡ ሕደገሎም፡ በለ። ንኽዳውንቱ ኸኣ ዕጭ ኣውዲቖም ተማቐልዎ። 35እቲ ህዝቢ ደው ኢሉ ይርኢ ነበረ፡ እቶም ዓበይቲውን ምሳታቶም ኰይኖም፥ ንኻልኦት ኣድሒኑ፡ ንሱ ክርስቶስ ናይ ኣምላኽ ሕሩይ እንተ ዀይኑስ፡ ርእሱ የድሕን፡ እናበሉ የላግጹሉ ነበሩ። 36-37እቶም ጭፍራውን የላግጹሉ ነበሩ፡ ናብኡ ቐሪቦም ድማ፥ ንስኻ ንጉስ ኣይሁድ እንተ ዄንካስ ርእስኻ ኣድሕን፡ እናበሉ መጺጽ ኣምጽኡሉ። 38ኣብ ልዕሊ ርእሱ ኸኣ፥ እዚ ንጉስ ኣይሁድ እዩ፡ ዝብል ጽሕፈት ነበረ። 39ካብቶም እተሰቕሉ ገበርቲ ኽፉእውን ሓደ፥ ንስኻ ክርስቶስ እንተ ዄንካ፡ ንርእስኻን ንኣናን ኣድሕን፡ ኢሉ የላግጸሉ ነበረ። 40እቲ ኻልኣዩ ግና፥ ኣታ ኣብዚ ኸምዚ ዝበለ ፍርዲ ኸሎኻስ፡ ኣምላኽዶ ኣይትፈርህን ኢኻ፧ 41ንሕናስ ብሓቂ ብግብርና ዝግብኣና ተፈዴና፡ እዚ ግና ሓንቲ ኽፍእቲ እኳ ኣይገበረን፡ ኢሉ ገንሖ። 42ንየሱስ ከኣ፥ ጐይታይ፡ ብመንግስትኻ ምስ እትመጽእ ዘክረኒ፡ በሎ። 43የሱስ ድማ፥ ሎሚ ምሳይ ኣብ ገነት ከም እትኸውን፡ ብሓቂ እብለካ ኣሎኹ፡ በሎ። 44ካብ ግዜ ሳድሰይቲ ሰዓት ኽሳዕ ታስዐይቲ ሰዓት ኣብ ኵላ ምድሪ ጸልማት ኰነ። 45ጸሓይ ጸልመተት፡ መጋረጃ መቕደስ ኣብ ክልተ ተተርተረ። 46የሱስ ብዓብዪ ድምጺ፥ ኣቦይ፡ ንነፍሰይ ኣብ ኢድካ ኤማዕቍባ ኣሎኹ፡ ኢሉ ጨርሐ። እዚ ምስ በለ፡ ነፍሱ ወጸት። 47እቲ ሓለቓ ሚእቲ ግና እቲ ዝዀነ ምስ ረኣየ፥ እዚ ሰብኣይ እዚ ጻድቕ ነይሩ፡ ኢሉ ንኣምላኽ ኣመስገኖ። 48እቶም ክርእዩ እተኣከቡ ህዝቢ ድማ እቲ ዝዀነ ምስ ረኣዩ፡ ኣፍ ልቦም እናወቕዑ ተመልሱ። 49እቶም ዝፈልጥዎ ዅሎምን እተን ካብ ገሊላ ዝሰዓብኦ ኣንስትን ከኣ ብርሑቕ ደው ኢሎም ነዚ ይጥምቱ ነበሩ። 50-51እንሆ፡ ዮሴፍ ዝስሙ መኻሪ፡ ብዓል ኣርማትያስ ከተማ ኣይሁድ፡ ሕያዋይን ጻድቕን ሰብኣይ ነበረ። ንሱ ንመንግስቲ ኣምላኽ ደኣ ይጽበያ ነበረ እምበር፡ ኣብቲ ምኽሮምን ግብሮምን ኣይተጸምበረን። 52ንሱ ናብ ጲላጦስ ከይዱ ስጋ የሱስ ለመኖ። 53ኣውሪዱ ብበፍታ ገነዞ፡ ሰብ ኣብ ዘይተቐብሮ ኣብ ውቕሮ መቓብር ከኣ ኣእተዎ። 54መዓልቲ ምድላው፡ ድሮ ሰንበት ነበረት። 55እተን ካብ ገሊላ ምስኡ ዝመጻ ኣንስቲ ድማ ስዒበን፡ መቓብሩን ስጋኡ ከኣ ኸመይ ከም እተነብረን ረኣያ። 56ተመሊሰን ከኣ ሽቱን ቅዱይ ቅብኣን ኣዳለዋ። ግናኸ ከምቲ ትእዛዝ ሕጊ ብሰንበት ዓረፋ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ወን.ሉቃስ ምዕራፍ 24
1በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን እቲ ዘዳለዋኦ ሽቱ ሒዘን፡ ካልኦትውን ምሳታተን ኣንጊሀን ናብቲ መቓብር መጻ። 2እቲ እምኒ ኸኣ ካብቲ መቓብር ተገልቢጡ ረኸባኦ። 3ኣብኡ ኣትየን ከኣ ስጋ ጐይታና የሱስ ኣይረኸባን። 4ኰነ ድማ፡ ብዛዕባዚ ኽግረማ ኸለዋ፡ እንሆ፡ ብርቕርቕ ዝብል ክዳውንቲ እተኸድኑ ኽልተ ሰብኣይ ኣብ ቅድሚኤን ደው በሉ። 5ፈሪሀን ገጸን ናብ ምድሪ ምስ ኣድነና ኸኣ፡ ንሳቶም፥ ንምንታይከ ነቲ ህያው ኣብ ማእከል ምዉታት ትደልያኦ ኣሎኽን፡ 6-7ንሱስ ተንሲኡ፡ ኣብዚ የሎን። ነቲ ኣብ ገሊላ ኸሎ፥ ወዲ ሰብ ኣብ ኢድ ሓጥኣን ክውሃብን ክስቀልን ብሳልሰይቲ መዓልቲ ኽትንስእን ብግዲ እዩ፡ ኢሉ ዝነገረክን ዘክራኦ፡ በልወን። 8ነቲ ዘረባኡ ኸኣ ዘከራኦ። 9ካብቲ መቓብር ተመሊሰን ድማ፡ እዚ ዅሉ ነቶም ዓሰርተው ሓደን ነቶም ካልኦት ኵሎምን ነገራኦም። 10እተን እዚ ንሃዋርያት ዝነገራ ድማ ማርያም ብዓልቲ መግደላን ዮሃናን ማርያም ኣደ ያእቆብን ምሳታተንውን ካልኦት ኣንስትን እየን። 11እዚ ዘረባዚ ኣብ ቅድሚኦም ከም ዕሽነት መሲሉ ተራእይዎምሲ ኣይኣመንወንን። 12ጴጥሮስ ግና ተንሲኡ ናብቲ መቓብር ጐየየ። ድንን እንተ በለ ኸኣ፡ እቲ መግነዝ ጥራይ ተነቢሩ ረኣየ። በቲ ዝዀነ ብልቡ እናተገረመውን ናብ ቤቱ ተመልሰ። 13እንሆ ኸኣ በታ መዓልቲ እቲኣ ኽልተ ኻባታቶም ካብ የሩሳሌም ስሳ እስታድዮስ ዝምርሓቓ ኤማሁስ ናብ እትብሃል ዓዲ ይኸዱ ነበሩ። 14ንሳቶም ከኣ በቲ ዝዀነ ዅሉ ነገር ንሓድሕዶም ይዛራረቡ ነበሩ። 15ኰነ ድማ፡ ክዛራረቡን ክማራመሩን ከለዉ፡ የሱስ ባዕሉ ቐሪቡ ምሳታቶም ከደ። 16ከየለልይዎ ግና ኣዒንቶም ተሰዊረን ነበራ። 17ንሱ ድማ፡ እዚ እናኸድኩምን እናጐሃኹምን ንሓድሕድኩም እትዛራረብዎ ዘሎኹም ዘረባስ እንታይ እዩ፧ በሎም። 18እቲ ሓደ ካብኦም ቀለዮጳ ዝስሙ፥ በዘን መዓልትታት እዚኣተን ነዚ ኣብ የሩሳሌም ዝዀነ ነገር ዘይትፈልጥሲ፡ ንስኻ በይንኻዶ ኣብኣ ጋሻ ኢኻ፧ ኢሉ መለሰሉ። 19ንሱ ኸኣ፥ እንታይ እዩ፧ በሎም። ንሳቶም በልዎ፥ እዚ ናይ የሱስ ናዝራዊ ነገር፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኵሉ ህዝብን ብግብርን ቃልን ከኣሊ ነብዪ ዝነበረ ሰብኣይ፡ 20ሊቃውንቲ ኻህናትን ዓበይትናን ንፍርዲ ሞት ኣሕሊፎም ከም ዝሃብዎን ከም ዝሰቐልዎን፡ 21ንሕና ግና፥ እቲ ንእስራኤል ዘድሕን ንሱ እዩ፡ ኢልና ተስፋ ንገብር ኔርና። ምስናይ እዚ ዅሉ ኸኣ እዚ ኻብ ዝኸውን ሎሚ ሳልሰይቲ መዓልቲ እያ። 22ግናኸ ካባታትና ኣንስቲ ናብ መቓብር ኣንጊሀን ነበራ እሞ ኣስተንከራና። 23ስጋኡ ምስ ሰኣና ኸኣ፡ ህያው ምዃኑ ዝነገርወን ራእይ መላእኽቲ ኸም ዝረኣያ፡ መጺኤን ነገራና። 24ካባና ገለ ሰባት ናብ መቓብር ከዱ፡ ከምቲ እተን ኣንስቲ ዝበላኦ ዀይኑ ረኸቡ፡ ንእኡ ግና ኣይረኣይዎን። 25ንሱ ድማ፥ ኣቱም፡ ነብያት ብተዛረብዎ ዅሉ ንምእማን ልቦም ዝደንጐየ ዓያሱ፡ 26ክርስቶስ እዚ ሓሳረ መከራ እዚ ኽጸግብ እሞ ናብ ክብረቱ ኽኣቱ ናይ ግዲ ደይኰነን፧ በሎም። 27ካብ ሙሴን ኵሎም ነብያትን ሒዙ ኸኣ እቲ ብዛዕባኡ ኣብ ኵሉ ጽሑፋት ዘሎ ኽትርጕመሎም ጀመረ። 28ናብታ ዝኸድዋ ዘለዉ ዓዲ ምስ ቀረቡ ኸኣ፡ ከም ዝሓልፍ መሰለ። 29ንሳቶም ግና፥ መስዩ እዩ፡ ጸሓይውን ዓሪባ እያ እሞ፡ ምሳና ሕደር፡ ኢሎም ተጋደልዎ። ንሱ ኸኣ ምሳታቶም ክሓድር ኣተወ። 30ኰነ ድማ፡ ምሳታቶም ኣብ መኣዲ ምስ ተቐመጠ፡ እንጌራ ኣልዒሉ ባረኸ ቈሪሱውን ሃቦም። 31ሽዑ ኣዒንቶም ተኸፍታ እሞ ኣለለይዎ፡ ንሱ ግና ካባታቶም ተሰወረ። 32ንሓድሕዶም ከኣ፥ እቲ ኣብ መገዲ ክዛረበናን እተን ጽሑፋት ክትርጕመልና ከሎዶ ግዳ ልብና ይነደና ኣይነበረን፡ ተባሃሃሉ። 33በታ ሰዓት እቲኣ ተላዒሎም ናብ የሩሳሌም ተመልሱ። ነቶም ዓሰርተው ሓደን ነቶም ምሳታቶም ዘለዉን ከኣ ተኣኪቦም ረኸብዎም። 34ንሳቶም ከኣ፡ ጐይታ ብሓቂ ተንሲኡ፡ ንስምኦን እኳ ተራእይዎ፡ በሉ። 35እቶም ካልኦት ድማ፡ እቲ ኣብ መገዲ ዝዀነን እንጌራ ምስ ቈረሰ ኸኣ ከመይ ከም ዘለልይዎን፡ ነገርዎም። 36እዚ ክዛራረቡ ኸለዉ ኸኣ፡ የሱስ ባዕሉ ኣብ ማእከሎም ደው ኢሉ፡ ሰላም ናኣኻትኩም ይኹን፡ በሎም። 37ንሳቶም ድማ መንፈስ ዝረኣዩ መሲልዎም፡ ፈሪሆም ሰምበዱ። 38ንሱ ኸኣ፡ እንታይ ዄንኩም ኢኹም እትስምብዱ፡ ከምዚ ዝበለ ሓሳብከ ስለምንታይ ኣብ ልብኹም ይለዓል፧ 39ኣነ ባዕለይ ምዃነይ ኣእዳወይን ኣእጋረይን ርኣዩ። ከምዚ ንኣይ ዘሎኒ እትርእይዎ ዘሎኹም፡ ንመንፈስሲ ስጋን ዓጽምን የብሉን እሞ፡ ኣረምሲስኩም ርኣዩኒ፡ በሎም። 40እዚ ኢሉ ኣእዳዉን ኣእጋሩን ኣርኣዮም። 41ንሳቶም ከኣ ተገሪሞም፡ ብሓጐሶም ምኽንያት ገና ምእማን ስለ ዝሰኣኑ፡ ንሱ፥ ገለ ዝብላዕዶ ኣብዚ ኣሎኹም፡ በሎም። 42ንሳቶም ከኣ ምቃል ጥቡስ ዓሳን ጐጎ መዓርን ሃብዎ። 43ተቐቢሉ ኣብ ቅድሚኦም በልዐ። 44ንሱ ድማ፥ እዚ እቲ ምሳኻትኩም ከሎኹ፡ ኣብ ሕጊ ሙሴን ነብያትን መዝሙራትን ብዛዕባይ እተጻሕፈ ዅሉ ኽፍጸም ይግባኦ እዩ፡ ኢለ ዝነገርኩኹም ቃለይ እዩ፡ በሎም። 45ሽዑ ነተን ጽሑፋት ከስተውዕልወን፡ ኣእምሮኦም ከፈተሎም እሞ፥ 46ክርስቶስ ሓሳረ መከራ ኽጸግብ፡ ብሳልሰይቲ መዓልቲውን ካብ ምዉታት ክትንስእ፡ 47ብስሙ ኸኣ ንስሓን ሕድገት ሓጢኣትን ካብ የሩሳሌም ጀሚሩ ኣብ ኵሎም ኣህዛብ ክስበኽ፡ ጽሑፍ እዩ። 48በዚ ንስኻትኩም ምስክር ኢኹም። 49እንሆ፡ ኣነ ተስፋ ኣቦይ ክሰደልኩም እየ። ንስኻትኩም ግና ካብ ላዕሊ ሓይሊ ኽሳዕ እትለብሱ፡ ኣብ ከተማ የሩሳሌም ጽንሑ፡ በሎም። 50ንወጻኢ ድማ ክሳዕ ቢታንያ ወሰዶም፡ ኢዱ ኣልዒሉውን ባረኾም። 51ኰነ ድማ፡ ክባርኾም ከሎ፡ ካባታቶም ተፈልየ፡ ናብ ሰማይውን ዓረገ። 52ንሳቶም ከኣ ሰገድሉ፡ ብብዙሕ ሓጐስውን ናብ የሩሳሌም ተመልሱ። 53ንኣምላኽ እናወደሱን እናኣመስገኑን ከኣ ኵሉ ሳዕ ኣብ ቤት መቕደስ ይነብሩ ነበሩ
ቅዱስ ዮሃንስ ዝጸሓፎ ወንጌል
1 2 3 4 5 6 7 8 9
10 11 12 13 14 15
16 17 18 19 20
21
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ወን.ዮሃንስ ምዕራፍ 1
1ቃል ብመጀመርታ ነበረ፡ እቲ ቓል ድማ ኣብ ኣምላኽ ነበረ። እቲ ቓልውን ኣምላኽ ነበረ። 2እዚ ብመጀመርታ ኣብ ኣምላኽ ነበረ። 3ብእኡ ዅሉ ዀነ፡ ካብቲ ዝዀነ ዘበለ ድማ ብዘይ ብእኡ ዝዀነ የልቦን። 4ህይወት ኣብኡ ነበረት፡ እታ ህይወት ከኣ ብርሃን ሰብ ነበረት። 5ብርሃንውን ኣብ ጸልማት የብርህ፡ ጸልማት ግና ኣይሓዞን። 6ዮሃንስ ዝስሙ ሰብኣይ ካብ ኣምላኽ ተልኢኹ ተንስአ። 7ኵሎም ብእኡ ናብ እምነት ምእንቲ ክበጽሑ፡ ብዛዕባ ብርሃን ክምስክር ንሱ ንምስክር መጸ። 8ብዛዕባ ብርሃን ደኣ ኽምስክር መጸ እምበር፡ ንሱስ ብርሃን ኣይነበረን። 9እቲ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ዘብርህ ብርሃን ሓቂ ናብ ዓለም ይመጽእ ነበረ። 10ኣብ ዓለም ነበረ፡ ዓለምውን ብእኡ ዀነት፡ ዓለም ግና ኣይፈለጠቶን። 11ናብቶም ናቱ መጸ፡ እቶም ናቱ ኸኣ ኣይተቐበልዎን። 12ነቶም እተቐበልዎ ዘበሉ ዅሎም ብስሙ ንዝኣምኑ ግና ውሉድ ኣምላኽ ክዀኑ መሰል ሃቦም። 13ንሳቶም ከኣ ካብ ኣምላኽ እምበር፡ ካብ ደም፡ ወይ ካብ ፍቓድ ስጋ፡ ወይ ካብ ፍቓድ ሰብኣይ ዘይተወልዱ እዮም። 14እቲ ቓል ስጋ ዀነ፡ ጸጋን ሓቅን መሊእዎ ኸኣ ኣባና ሓደረ። ክብረቱ ድማ ከም ክብሪ ናይቲ ሓደ ወዲ ነቦኡ ርኤና። 15ዮሃንስ ብዛዕባኡ መስከረ፡ እቲ ድሕረይ ዝመጽእ፡ ንሱ ቕድመይ ዝነበረ እዩ እሞ፡ ንሱ ቕድመይ ነበረ፡ እቲ ብዛዕባኡ ዝበልኩ ንሱ እዩ፡ ኢሉ ጨደረ። 16-17ሕጊ ብሙሴ ተውሂቡ እዩ እሞ፡ ጸጋን ሓቅን ግና ብየሱስ ክርስቶስ መጸ። እምብኣርከ ንሕና ዅላትና ኻብ ምልኣቱ ጸጋ ኣብ ልዕሊ ጸጋ ተቐበልና፡ 18ሓደ እኳ ንኣምላኽ ዝረኣዮ የልቦን፡ እቲ ኣብ ሕቝፊ ኣቦኡ ዘሎ ሓደ ወዲ፡ ንሱ ኣግሃዶ። 19ኣይሁድ፥ ንስኻ መን ኢኻ፧ ኢሎም ክሓትዎ፡ ካብ የሩሳሌም ካህናትን ሌዋውያንን ምስ ለኣኹሉ፡ ምስክር ዮሃንስ እዚ እዩ፥ 20ንሱውን፥ ኣነስ ክርስቶስ ኣይኰንኩን፥ ኢሉ ተኣመነ እምበር፡ ኣይከሓደን። 21-22ሽዑ ንሳቶም፡ መን ደኣ ኢኻ፧ ነቶም ዝለኣኹና ምላሽ ምእንቲ ኽንህቦምሲ፡ ብዛዕባ ርእስኻ እንታይ ትብል፡ በልዎ። 23ንሱ ኸኣ፥ ኣነስ፡ ከምቲ ነብዪ ኢሳይያስ፥ መገዲ እግዚኣብሄር ኣቕንዑ፡ ዝበሎ፡ ኣብ በረኻ ዝእውጅ ድምጺ እየ፡ በሎም። 24እቶም ልኡኻት ካብ ፈሪሳውያን ነበሩ። 25ንሳቶም ከኣ፥ እምብኣርሲ ክርስቶስ፡ ወይ ኤልያስ፡ ወይ እቲ ነብዪ ኻብ ዘይኰንካስ፡ ንምንታይ ደኣ ተጥምቕ ኣሎኻ፡ ኢሎም ሓተትዎ። 26ዮሃንስ ድማ፥ ኣነ ብማይ አጥምቕ ኣሎኹ፡ ግናኸ ንስኻትኩም ዘይትፈልጥዎ ኣብ ማእከልኩም ደው ኢሉ ኣሎ። 27እቲ ቕድመይ ዝነበረ ድሕረይ ዝመጽእ፡ ንሱ እዩ፡ ኣነ ስራኽ ኣሳእኑ ንምፍታሕ እኳ ዘይበቕዕ እየ፡ ኡሉ መለሰ። 28እዚ ኣብቲ ዮሃንስ የጥምቐሉ ዝነበረ፡ ኣብ ቢታንያ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ኰነ። 29ንጽብሒቱ ዮሃንስ ንየሱስ፡ ናብኡ ኽመጽእ ከሎ ረኣየ እሞ፥ እንሆ፡ ሓጢኣት ዓለም ዘርሕቕ ገንሸል ኣምላኽ፡ በለ። 30እቲ ብዛዕባኡ፥ ሓደ ሰብኣይ ድሕረይ ይመጽእ፡ ንሱ ቕድመይ ነይሩ እዩ እሞ፡ ንሱ ቕድመይ ኰነ፡ ዝበልክዎ እዚ እዩ። 31ኣነ ድማ ኣይፈለጥክዎን፡ ንሱ ንእስራኤል ምእንቲ ኽግለጽ ግና፡ ኣነ ብማይ እናኣጥመቕኩ መጻእኩ። 32ዮሃንስ ድማ፡ መንፈስ ቅዱስ ካብ ሰማይ ከም ርግቢ ወሪዱ ኣብኡ ክቕመጥ ከሎ ርኤኹ፡ ኢሉ መስከረ። 33እቲ ብማይ ከጥምቕ ዝለኣኸኒ ደኣ፥ እቲ፡ መንፈስ ቅዱስ ወሪዱ ኣብኡ ክቕመጥ ከሎ እትርእዮ፡ ንሱ እዩ ብመንፈስ ቅዱስ ዘጥምቕ፡ ኢሉኒ እምበር፡ ኣነስ ኣይፈለጥክዎን። 34ኣነ ኸኣ ርኤኹ እሞ፡ ንሱ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ መስከርኩ። 35ንጽብሒቱ ድማ ዮሃንስ ምስ ክልተ ደቀ መዛሙርቱ ኸም ብሓድሽ ደው ኢሉ ነበረ። 36ንየሱስ ክሓልፍ ከሎ ረኣዮ እሞ፥ እንሆ፡ ገንሸል ኣምላኽ፡ በለ። 37እቶም ክልተ ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ፡ እዚ ኽብል ከሎ ሰሚዖም፡ ንየሱስ ሰዓብዎ። 38የሱስ ከኣ ግልጽ ኢሉ ኽስዕብዎ ኸለዉ ርእዩ፥ እንታይ ትደልዩ ኣሎኹም፧ በሎም። ንሳቶም ድማ፥ ረቢ፡ — ትርጉሙ መምህር፡ — ኣበይ ሰፊርካ ኣሎኻ፧ በሎዎ። 39ንሱ፥ ንዑ ርኣዩ፡ በሎም። መጺኦም ኣበይ ከም ዝሰፈረ ረኣዩ፡ ሽዑ መዓልቲውን ምስኡ ወዓሉ። ኣስታት ዓስረይቲ ሰዓት ኣቢላ ኸኣ ነበረት። 40ካብቶም ንዮሃንስ ሰሚዖም ንየሱስ ዝሰዓብዎ ኽልተስ እቲ ሓደ እንድርያስ ሕው ስምኦን ጴጥሮስ እዩ። 41ንሱ ቕድም ንሓዉ ስምኦን ረኸቦ እሞ፥ ንመሲሕ፡— ክርስቶስ ዝትርጉሙ፡— ረኺብናዮ፡ በሎ። 42ናብ የሱስውን ኣምጽኦ፡ የሱስ ከኣ ጠሚትዎ፥ ንስኻ ስምኦን ወዲ ዮና ኢኻ። ንስኻ ኬፋ — ጴጥሮስ ዝትርጉሙ፡— ክትብሃል ኢኻ፡ በሎ። 43ንጽብሒቱ የሱስ ናብ ገሊላ ክኸይድ ደለየ፡ ንፊልጶስ ከኣ ረኸቦ እሞ፡ ስዓበኒ፡ በሎ። 44ፊልጶስ ከኣ ብዓል ቤተ ስይዳ ዓዲ እንድርያስን ጴጥሮስን እዩ። 45ፊልጶስ ንናትናኤል ረኸቦ እሞ፥ እቲ፡ ሙሴ ኣብ ሕጊ ነብያትውን ብዛዕባኡ ዝጸሐፉ፡ የሱስ፡ ወዲ ዮሴፍ ብዓል ናዝሬት፡ ረኺብናዮ፡ በሎ። 46ናትናኤል ድማ፥ ካብ ናዝሬትዶ ገለ ሰናይ ክመጽእ ይከኣል እዩ፧ በሎ። ፊልጶስውን፥ ንዓ ርኤ፡ በሎ። 47የሱስ ንናትናኤል ናብኡ ኽመጽእ ከሎ ምስ ረኣዮ፡ ብዛዕባኡ፥ እንሆ፡ ጕርሒ ዘይብሉ ቕኑዕ እስራኤላዊ፡ በለ። 48ናትናኤል፥ ኣበይ ትፈልጠኒ፧ በሎ። የሱስ ከኣ፥ ፊልጶስ ከይጸውዓካ፡ ኣብ ትሕቲ በለስ ከሎኻ ርእየካ፡ ኢሉ መለሰሉ። 49ናትናኤል ድማ፥ ረቢ፡ ንስኻ ወዲ ኣምላኽ ኢኻ፡ ንስኻ ንጉስ እስራኤል ኢኻ፡ ኢሉ መለሰሉ። 50የሱስ ድማ፥ ኣብ ትሕቲ በለስ ርእየካ ስለ ዝበልኩኻዶ ኣሚንካ፧ ካብዚ ዝዓቢ ነገር ክትርኢ ኢኻ፡ ኢሉ መለሰሉ። 51ካብ ሕጂ ሰማይ ተኸፊቱ፡ መላእኽቲ ኣምላኽውን ናብ ልዕሊ ወዲ ሰብ ክድይቡን ክወርዱን ከም እትርእዩ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ በሎ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ወን.ዮሃንስ ምዕራፍ 2
1ኣብታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኸኣ ኣብ ቃና ናይ ገሊላ መርዓ ዀነ፡ ኣደ የሱስውን ኣብኡ ነበረት። 2የሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ድማ ናብቲ መርዓ ተዓደመ። 3ወይኒ ምስ ተወድአ፡ ኣደ የሱስ፥ ወይኒ እምበር የብሎምን፡ በለቶ። 4የሱስ ድማ፥ ኣቲ ሰበይቲ፡ ምሳኺኸ እንታይ ኣሎኒ፡ ግዜይ ገና ኣይበጽሐን፡ በላ። 5ኣዲኡ ኸኣ ነቶም ተዓጠቕቲ፥ ንሱ ዝብለኩም ኵሉ ግበሩ፡ በለቶም። 6ኣብኡ ኸም ስርዓት ምጽራይ ኣይሁድ ሹድሽተ ኣጋንእ እምኒ ተተኺሉ ነበረ፡ እቲ ኣጋንእ ከክልተ ወይ ሰሰለስተ ዝንግሪር ዘግብእ እዩ። 7የሱስ ነዚ ኣጋንእ ማይ ምልእዎ፡ በሎም። ኣፍ ንኣፍ ከኣ መልእዎ። 8ሽዑ፥ ሕጂ ቅድሕዎ እሞ ነቦ ዳስ ውሰድሉ፡ በሎም። ንሳቶም ከኣ ወሰዱ። 9እቲ ኣቦ ዳስ ግና ነቲ ንወይኒ እተለወጠ ማይ ምስ ጠዓሞ፡ ካበይ ምዃኑ ኣይፈለጠን፦ እቶም ማይ ዝመልኡ ተዓጠቕቲ ግና ይፈልጡ ነበሩ፦ እቲ ኣቦ ዳስ ነቲ መርዓዊ ጸዊዑ፥ 10ኵሉ ሰብ ቅድም ጽቡቕ ወይኒ፡ ምስ ሰኸሩ ኸኣ እቲ ሕምቕ ዝበለ ደኣ የቕርብ። ንስኻ ግና ነቲ ጽቡቕ ወይኒ ኽሳዕ ሕጂ ኣጽናሕካዮ፡ በሎ። 11የሱስ ነዚ መጀመርያ ተኣምራቱ እዚ ኣብ ቃና ናይ ገሊላ ገበሮ። ክብረቱ ኸኣ ገለጸ፡ ደቀ መዛሙርቱውን ብእኡ ኣመኑ። 12ድሕርዚ ንሱ ምስ ኣዲኡን ኣሕዋቱን ደቀ መዛሙርቱን ናብ ቅፍርናሆም ወረደ። ኣብኡውን ሒደት መዓልቲ ጸንሑ። 13ፋስጋ ኣይሁድ ከኣ ቀሪቡ ነበረ፡ የሱስውን ናብ የሩሳሌም ደየበ። 14ኣብ ቤተ መቕደስ ከኣ ኣብዑርን ኣባጊዕን ኣራግብን ዝሸጡን ሸረፍቲ ተቐሚጦምን ረኸበ። 15ካብ ገመድ መግረፊ ገይሩ ኸኣ፡ ምስተን ኣባጊዕን ኣብዑርን ንዅሎም ካብ ቤት መቕደስ ኣውጽኦም፡ ንወርቂ እቶም ሸረፍቲውን ፋሕ ኣበሎ፡ ንሰደቓኦም ከኣ ደንከሎ። 16ነቶም ሸየጥቲ ኣራግብ ድማ፥ እዚ ካብዚ ኣልዕልዎ፡ ንቤት ኣቦይ ቤት ዕዳጋ ኣይትግበርዎ፡ በሎም። 17ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ፥ ቅንኣት ቤትካ በልዓኒ፡ ጹሑፍ ከም ዘሎ ዘከሩ። 18ሽዑ ኣይሁድ፥ እዚ እትገብር ካብ ኰንካስ፡ እንታይ ትእምርቱኸ ኸተርእየና ኢኻ፧ ኢሎም መለስሉ። 19የሱስ ድማ፥ ነዛ ቤተ መቕደስ እዚኣ ኣፍርስዋ፡ ኣነ ኸኣ ብሰለስተ መዓልቲ ኸልዕላ እየ፡ ኢሉ መለሰሎም። 20እቶም ኣይሁድ ከኣ፥ እዛ ቤተ መቕደስ እዚኣ በርብዓን ሹዱሽተን ዓመት እያ እተሃንጸት፡ ንስኻዶ ብሰለስተ መዓልቲ ኸተልዕላ ኢኻ፧ በልዎ። 21ንሱ ግና ብዛዕባ መቕደስ ስጋኡ እዩ እተዛረበ። 22ስለዚ ኸኣ ካብ ምውታት ምስ ተንስአ፡ ደቀ መዛሙርቱ እዚ ኸም ዝበሎም ዘከሩ፡ በቲ ጽሑፍን በቲ የሱስ ዝበሎ ቓልን ድማ ኣመኑ። 23ነቲ፡ የሱስ ብበዓል ፋስጋ ኣብ የሩሳሌም ከሎ ዝገበሮ ተኣምራት ምስ ረኣዩ፡ ብዙሓት ሰባት ብስሙ ኣመኑ። 24-25የሱስ ግና፡ ኣብ ሰብ ዘሎ ባዕሉ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ፡ ሓደ እኳ ብናይ ሰብ ክምስክረሉ ኣየድለዮን፡ ንዅሎም ይፈልጦም ነበረ እሞ፡ ኣይኣመኖምን።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ወን.ዮሃንስ ምዕራፍ 3
1ካብቶም ፈሪሳውያን ኒቆዲሞስ ዝስሙ ሰብኣይ፡ ሓለቓ ኣይሁድ ነበረ። 2ንሱ ብለይቲ ናብ የሱስ መጺኡ፥ ረቢ፡ ብጀካ እቲ ኣምላኽ ምስኡ ዝዀነ ሰብ፡ ነዚ ንስኻ እትገብሮ ዘሎኻ ተኣምራት ክገብሮ ዝኽእል የልቦን እሞ፡ ንስኻ መምህር ኴንካ ካብ ኣምላኽ ከም ዝመጻእካ፡ ንፈልጥ ኣሎና፡ በሎ። 3የሱስ ድማ፥ ካብ ላዕሊ እንተዘይተወልደ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ክርእያ ዝኽእል ከም ዘየልቦ፡ ብሓቂ እብለካ ኣሎኹ፡ ኢሉ መለሰሉ። 4ኒቆዲሞስ ከኣ፥ ንሰብከ ምስ ኣረገ፡ ክውለድ ከመይ ኢሉ ይከኣሎ፧ መሊሱ ናብ ከርሲ ኣዲኡ ኣትዩስ ክውለድዶ ይከኣሎ እዩ፧ በሎ። 5የሱስ መለሰ፡ ብሓቂ እብለካ ኣሎኹ፡ ካብ ማይን መንፈስን እንተ ዘይተወልደ፡ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ክኣቱ ዝኽእል የልቦን። 6ካብ ስጋ እተወልደ ስጋ እዩ፡ ካብ መንፈስ እተወልደ ኸኣ መንፈስ እዩ። 7ካብ ላዕሊ ኽትውለድ ብግዲ እዩ ስለ ዝበልኩኻ፡ ኣይትገረም። 8ንፋስ ናብ ዝደለዮ ይነፍስ፡ ደሃይ ኸኣ ትሰምዕ፡ ካበይ ከም ዝመጽእ ናበይውን ከም ዝኸይድ ግና ኣይትፈልጥን ኢኻ። እቲ ኻብ መንፈስ እተወልደ ዘበለ ድማ ከምኡ እዩ። 9ኒቆዲሞስ ከኣ፥ እዚ ደኣ ኸመይ ኢሉ ክኸውን ይከኣል፧ ኢሉ መለሰሉ። 10የሱስ ድማ መሊሱ በሎ፥ ንስኻ መምህር እስራኤል ኢኻ፡ እዚዶ ኣይትፈልጥን፧ 11ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለካ ኣሎኹ፡ እንፈልጦ ንዛረብ፡ ዝርአናዮውን ንምስርክር ኣሎና፡ ነቲ ምስክርና ግና ኣይትቕበልዎን ኢኹም። 12ናይ ምድሪ ነገር ነጊረኩም ካብ ዘይትኣምኑስ፡ ናይ ሰማይ ነገር እንተ ነገርኩኹም ግዳ፡ ከመይ ጌርኩም ክትኣምኑ፧ 13ብጀካ እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ ኣብ ሰማይውን ዘሎ ወዲ ሰብ፡ ናብ ሰማይ ዝደየበ ሓደ እኳ የልቦን። 14-15ብእኡ ዝኣምን ኵሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ከምቲ ሙሴ ኣብ በረኻ ተመን ዝሰቐለ፡ ከምኡ ድማ ወዲ ሰብ ክስቀል ይግባእ እዩ። 16ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝኣመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ሕይወት ምእንቲ ኽረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዝህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ። 17ኣምላኽ ንወዱ፡ ዓለም ብእኡ ኽትድሕን እምበር፡ ንዓለም ክፈርዳስ ኣይለኣኾን። 18ብእኡ ንዝኣምን ኣይፍረዶን። ነቲ ዘይኣምን ግና፡ ብስም ሓደ ወዲ ኣምላኽ ስለ ዘይኣመነ፡ ድሮ ተፈሪድዎ ኣሎ። 19እቲ ፍርዲ እዚ እዩ፥ ብርሃን ናብ ዓለም መጸ፡ ሰብ ግና፡ ግብሮም ክፉእ እዩ እሞ፡ ካብ ብርሃንሲ ጸልማት ፈተዉ። 20ክፉእ ዝገብር ዘበለ ብርሃን ይጸልእ እዪ እሞ፡ እቲ ግብሩ ምእንቲ ኸይዝለፍ፡ ናብ ብርሃን ኣይመጽእን። 21እቲ ሓቂ ዝገብር ግና፡ ብኣምላኽ እተገብረ እዩ እሞ፡ ግብሩ ምእንቲ ኽግለጽ፡ ናብ ብርሃን እዩ ዝመጽእ። 22ድሕርዚ የሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ናብ ምድሪ ይሁዳ ኸደ፡ ኣብኡ ኸኣ ምሳታቶም ይመላለስን የጥምቕን ነበረ። 23-24ዮሃንስ ገና ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣይኣተወን ነበረ እሞ፡ ኣብ ሄኖን ኣብ ጥቓ ሳሌም ብዙሕ ማይ ስለ ዝነበረ፡ ዮሃንስ ኣብኡ የጥምቕ ነበረ፡ ይመጹን ይጥመቑን ከኣ ነበሩ። 25ሽዑ ኣብ መንጎ ደቀ መዛሙርቲ ዮሃንስን ሓደ ኣይሁዳውን ብዛዕባ ምጽራይ ክርክር ተንስአ። 26ናብ ዮሃንስ መጺኦም፥ መምህር፡ እቲ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ምሳኻ ዝነበረ ንስኻውን ዝመስከርካሉ፡ እንሆ፡ ንሱ የጥምቕ፡ ኵሉ ኸኣ ናብኡ ይኸይድ ኣሎ፡ በልዎ። 27ዮሃንስ ከኣ መሊሱ በለ፥ ሰብ ካብ ሰማይ እንተ ዘይተዋህቦስ ሓንቲ እኳ ኽወስድ ኣይክእልን እዩ። 28ኣነ ቀቅድሚኡ ደኣ ተለኣኽኩ እምበር፡ ክርስቶስ ኣይኰንኩን ከም ዝበልኩ፡ ንስኻትኩም ባዕላትኩም ምስክረይ ኢኹም። 29እቲ መርዓት ዘላቶ፡ ንሱ መርዓዊ እዩ። እቲ ደው ኡሉ ንእኡ ዝሰምዖ ዓርኪ መርዓዊ ግና ብድምጺ እቲ መርዓዊ ኣዝዩ ይሕጐስ። ደጊም እዚ ሓጐሰይ ተፈጸመ። 30ንሱ ኽዓቢ፡ ኣነ ግና ክንእስ ይግባእ። 31እቲ ኻብ ላዕሊ ዝመጽእ ዘሎ፡ ንሱ ልዕሊ ዅሉ እዩ። ካብ ምድሪ ዝዀነ ምድራዊ እዩ፡ ናይ ምድሪውን ይዛረብ። እቲ ኻብ ሰማይ ዝመጽእ ዘሎ ግና፡ ንሱ ልዕሊ ዅሉ እዩ። 32ነታ ምስክሩ ደኣ ዝቕበላ የልቦን እምበር፡ ንሱስ ዝረኣዮን ዝሰምዖን እዩ ዝምስክር። 33እቲ ነታ ምስክሩ እተቐበላ ግና፡ ኣምላኽ ሓቀኛ ምዃኑ ሐተመ። 34ኣምላኽ መንፈሱ ሰፊሩ ኣይህብን እዩ እሞ፡ ኣምላኽ ዝለኣኾ፡ ንሱ ቓል ኣምላኽ እዩ ዝነግር። 35ኣቦ ንወዱ የፍቅሮ እዩ እሞ ኵሉ ኣብ ኢዱ ሃቦ። 36ብወዲ ዝኣምን ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣላቶ፡ እቲ ብወዲ ዘይኣምን ግና ቍጥዓ ኣምላኽ ደኣ ኣብኡ ይነብር እምበር፡ ንህይወት ኣይክርእያን እዩ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ወን.ዮሃንስ ምዕራፍ 4
1ጐይታ ኸኣ፡ እቶም ፈሪሳውያንሲ የሱስ ካብ ናይ ዮሃንስ ዝበዝሑ ደቀ መዛሙርቲ ኸም ዝገበረን ዘጥመቐን ምስማዖም ምስ ፈለጠ፡— 2ግናኸ ደቀ መዛሙርቱ ደኣ እምበር፡ የሱስ ባዕሉስ ኣየጥመቐን፡ — 3ምድሪ ይሁዳ ሓዲጉ ናብ ገሊላ ተመልሰ። 4ብሰማርያ ንምሕላፍ ከኣ ናይ ግዲ ኰኖ። 5ኣብ ጥቓ እታ ያእቆብ ንዮሴፍ ወዱ ዝሃቦ ምድሪ ዘላ ሲካር ናብ እትብሃል ከተማ ሰማርያ መጸ። 6ኣብኡ ኸኣ ዔላ ያእቆብ ኣሎ። የሱስ ከኣ ብምኻድ መገዲ ደኺሙ፡ ኣብ ጥቓ እቲ ዔላ ተቐመጠ። እቲ ግዜኡ ሳድሰይቲ ሰዓት ኣቢሉ ነበረ። 7ካብ ሰማርያ ኸኣ ሰበይቲ ማይ ክትቀድሕ መጸት። የሱስ ድማ፥ ማይ ኰታ ኣስትይኒ፡ በላ። 8ደቀ መዛሙርቱ ግና ዝብላዕ ክዕድጉ ናብ ከተማ ኸይዶም ነበሩ። 9ኣይሁድ ምስ ሳምራውያን ኣይተሓባበሩን እዮም እሞ፡ እታ ሳምራዊት ሰበይቲ፡ ንስኻ ኣይሁዳዊ ክነስኻስ፡ ካባይ ሳምራዊት ሰበይቲ ደኣ ኸመይ ኢልካ ማይ ክትሰቲ ትልምን ኣሎኻ፧ በለቶ። 10የሱስ ድማ፥ ህያብ ኣምላኽን እቲ ኣስትይኒ ዝብለኪ ዘሎ መን ምዃኑን እንተ ትፈልጥስ፡ ንስኺ ግዳ ምለመንክዮ ኔርኪ፡ ንሱ ኸኣ ማይ ህይወት ምሃበኪ ነይሩ፡ ኢሉ መለሰላ። 11እታ ሰበይቲ ድማ፥ ጐይታይ፡ መቕድሒ የብልካን፡ እዚ ዔላ ኸኣ ዓሚቝ እዩ፡ እቲ ማይ ህይወት ደኣ ኻበይ ትረኽቦ፧ 12ንስኻዶ ኻብቲ ነዚ ዔላ እዚ ዝሃበና፡ ንሱውን ምስ ደቁን ማሉን ካብኡ ዝሰተየ ኣቦና ያእቆብ፡ ትዓቢ ኢኻ፧ በለቶ። 13የሱስ ድማ፥ ካብዚ ማይ እዚ ዝሰቲ ዘበለ መሊሱ ኽጸምእ እዩ። 14እቲ ካብቲ ኣነ ዝህቦ ማይ ዝሰቲ ግና፡ እቲ ኣነ ዝህቦ ማይ ኣብኡ ንዘለኣለም ህይወት ዝፍልፍል ዓይኒ ማይ ክኸውን እዩ እምበር፡ ንዘለኣለም ኣይጸምእን እዩ፡ ኢሉ መለሰላ። 15እታ ሰበይቲ ኸኣ፥ ጐይታይ፡ ከይጸምእ እሞ ክቐድሕ ድማ ናብዚ ኸይወርድሲ፡ ካብቲ ማይ እቲ ሃበኒ፡ በለቶ። 16የሱስ ከኣ፥ ኪዲ፡ ሰብኣይኪ ጸዊዕኪ ናብዚ ንዒ፡ በላ። 17እታ ሰበይቲ መሊሳ፥ ሰብኣይ የብለይን፡ በለቶ። የሱስ ከኣ፡ ሰብኣይ የብለይን ብምባልክስ ቅኑዕ ተዛረብኪ። 18ሓሙሽተ ሰብኣይ ነይሮምኺ እዮም እሞ፡ እዚ ሕጂ ምሳኺ ዘሎውን ኣይሰብኣይክን እዩ። እዝስ ሓቂ ተዛረብኪ፡ በላ። 19እታ ሰበይቲ በለቶ፥ ጐይታይ፡ ንስኻ ነብዪ ምዃንካ እርኢ ኣሎኹ። 20ኣቦታትና ኣብዚ ኸረን እዚ ሰገዱ። ንስኻትኩም ግና፡ እታ ኽስገደላ ዝግባእ ስፍራ ኣብ የሩሳሌም እያ፡ ኢኹም እትብሉ። 21የሱስ በላ፥ ኣቲ ሰበይቲ፡ ኣብዚ ኸረን እዚ ወይ ኣብ የሩሳሌም ነቦ ዘይትሰግዱላ ግዜ ከም እትመጽእ፡ እመንኒ። 22ንስኻትኩም ንዘይትፈልጥዎ ኢኹም እትሰግዱ፡ ንሕና ግና፡ ምድሓን ካብ ኣይሁድ እዩ እሞ፡ ንንፈልጦ ኢና እንሰግድ። 23-24ኣምላኽ መንፈስ እዩ፡ እቶም ዝሰግድሉ ድማ ብመንፈስን ብሓቅን ክሰግዱሉ ይግባኦም። ኣቦ ኸምዚ ዝበሉ ሰገድቲ እዩ ዝደሊ እሞ፡ እቶም ናይ ሓቂ ሰገድቲ ነቦ ብመንፈስን ብሓቅን ዝሰግዱሉ ሰዓት ክትመጽእ እያ፡ ንሳ ኸኣ ሕጂ እያ። 25እታ ሰበይቲ ድማ፡ ክርስቶስ ዝብልዎ መሲህ ከም ዝመጽእ፡ እፈልጥ ኣሎኹ። ንሱ ምስ መጸ ኸኣ፡ ኵሉ ክነግረና እዩ፡ በለቶ። 26የሱስ ከኣ፥ ኣነ ዝዛረበኪ ዘሎኹ ንሱ እየ፡ በላ። 27ሽዑ እቶም ደቀ መዛሙርቱ መጹ፡ ምስ ሰበይቲ ብምዝርራቡውን ተገረሙ። ግናኸ ሓደ እኳ፥ እንታይ ትደሊ፡ ወይስ፥ ንምንታይ ምስኣ ትዛረብ ኣሎኻ፡ ዝበሎ የልቦን። 28እታ ሰበይቲ ኸኣ ዕትሮኣ ሐዲጋ ናብ ከተማ ኣተወት፡ ነቶም ሰብውን፥ 29ዝገበርክዎ ዘበለ ዝነገረኒ ሰብኣይ ንዑ ርኣዩ። እንድዒ፡ ክርስቶስ ኰን ይኸውን፧ በለቶም። 30ካብ ከተማ ወጺኦም ናብኡ መጹ። 31ኣብ መንጎ እዚ እቶም ደቀ መዛሙርቱ፥ መምህር፡ ብላዕ፡ ኢሎም ለመንዎ። 32ንሱኸኣ፥ ኣነስ ንስኻትኩም ዘይትፈልጥዎ ዝበልዖ ብልዒ ኣሎኒ፡ በሎም። 33እቶም ደቀ መዛሙርቲ ንሓድሕዶም፥ ሰብ ደዀን ገለ ዝብላዕ ኣምጺኡሉ ዀይኑ፧ ተባሃሃሉ። 34የሱስ በሎም፥ ብልዐይሲ ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ ኽገብር ዕዮኡውን ክፍጽም እዩ። 35ንስኻትኩምዶ፥ ቀውዒ ኽሳዕ ዝመጽእ ኣርባዕተ ወርሒ ኣሎ፡ ትብሉ ኣይኰንኩምን፧ ኣዒንትኹም ቋሕ ኣብሉ እሞ ምድሪ ድሮ ንዓጺድ ከም ዝጻዕደወት ርኣዩ፡ እብለኩም ኣለኹ። 36-37ሓደ ኸም ዝዘርእ፡ ሓደ ኻልእ ከኣ ከም ዝዓጽድ፡ በዚ እዚ ዘረባ እዚ ሓቂ እዩ እሞ፡ እቲ ዝዓጽድ ውዕለቱ ይቕበል፡ እቲ ዘራእን እቲ ዓጻድን ብሓንሳእ ምእንቲ ኽሕጐሱ ኸኣ፡ ንዘለኣለም ህይወት ፍረ ይእክብ። 38ኣነ ንኣኻትኩም ኣብ ዘይጸዓርኩምሉ ኽትዓጽዱ ለኣኽኩኹም። ካልኦት ጸዓሩሉ፡ ንስኻትኩም ኣብቲ ጻዕሮም ኣቶኹም። 39ስለቲ እታ ሰበይቲ፥ ዝገበርክዎ ዘበለ ነጊሩኒ፡ ኢላ ዝመስከረቶ ቓል፡ ካብታ ኸተማ እቲኣ ብዙሓት ሳምራውያን ብእኡ ኣመኑ። 40እቶም ሳምራውያን ናብኡ መጺኦም፡ ምሳታቶም ክቕመጥ ለአምንዎ። ኣብኡ ኸኣ ክልተ መዓልቲ ወዓለ። 41ኣዝዮም ዝበዝሑ ድማ ስለ ቓሉ ኣመንዎ። 42ነታ ሰበይቲውን፥ ደጊምሲ ባዕላትና ደኣ ንሱ ብሓቂ ክርስቶስ መድሓኒ ዓለም ምዃኑ ሰሚዕናን ፈሊጥናን እምበር፡ ኣይብዘረባኽን ኢና እንኣምን ዘሎና፡ ይብልዋ ነበሩ። 43-44ነብዪ ኣብ ዓዱ ኸም ዘይከብር፡ የሱስ ባዕሉ መስኪሩ ነበረ እሞ፡ ድሕሪ እተን ክልተ መዓልቲ ኻብኡ ወጺኡ ናብ ገሊላ ኸደ። 45ናብ ገሊላ ምስ መጸ፡ እቶም ሰብ ገሊላ፡ ባዕላቶም ከኣ ናብ በዓል መጺኦም ነበሩ እሞ፡ በቲ በዓል ኣብ የሩሳሌም ዝገበሮ ስለ ዝረኣዩ፡ ተቐበልዎ። 46የሱስ ድማ ናብታ ንማይ ናብ ወይኒ ዝለወጠላ፡ ናብ ቃና ናይ ገሊላ፡ መጸ። ኣብ ቅፍርናሆም ከኣ ወዱ ዝሓመሞ ሓደ ኣገልጋል ንጉስ ነበረ። 47ንሱ፡ የሱስ ካብ ይሁዳ ናብ ገሊላ ኸም ዝመጸ ምስ ሰምዐ፡ ናብኡ ኸደ፡ ወዱ ንሞት ቀሪቡ ነበረ እሞ፡ ወሪዱ ኸሕውየሉ ንየሱስ ለመኖ። 48ሽዑ የሱስ፡ ትእምርትን ተኣምራትን እንተ ዘይርኤኹም፡ ኣይትኣምኑን ኢኹም፡ በሎ። 49እቲ ኣገልጋል ንጉስ ከኣ፥ ጐይታይ፡ ወደይ ከይሞተ ውረድ፡ በሎ። 50የሱስ ድማ፥ ኪድ፡ ወድኻ ሓውዩልካ፡ በሎ። እቲ ሰብኣይ ከኣ በታ የሱስ እተዛረባ ቓል ኣሚኑ ኸደ። 51ክወርድ ከሎ፡ ባሮቱ ተቐበልዎ እሞ፥ ወድኻ ሓውዩ፡ ኢሎም ኣበሰርዎ። 52ንሱ ኸኣ እታ ዝሓወየላ ሰዓት ሓተቶም። ንሳቶም ድማ፥ ትማሊ ብሳብዐይቲ ሰዓት ዓሶኡ ሓዲጋቶ፡ በልዎ። 53ሽዑ ኣቦኡ በታ የሱስ፥ ወድኻ ሓውዩ፡ ዝበሎ ሰዓት ምዃና ፈለጠ። ንሱ ኸኣ ምስ ኵሉ ስድራ ቤቱ ኣመነ። 54የሱስ ካብ ይሁዳ ናብ ገሊላ ምስ መጸ ዝገበሮ ተኣምራት፡ እዚ ኻልኣዩ እዩ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ወን.ዮሃንስ ምዕራፍ 5
1ድሕርዚ ድማ በዓል ኣይሁድ ኰነ። የሱስውን ናብ የሩሳሌም ደየበ። 2ኣብ የሩሳሌም ኣብ ጥቓ ደገ ኣባጊዕ ከኣ፡ ብእብራይስጢ ቤትሄስዳ ዝብሃል፡ ሓሙሽተ ገበላ እተገብሮ ቐላይ ነበረ። 3ኣብኡ ምንቅስቓስ እቲ ማይ ዝጽበዩ ብዙሓት ሕሙማት፡ ዕውራትን ሓንካሳትን ድኑሳትን ይድቅሱ ነበሩ። 4እናሓንሳእ ሓደ መልኣኽ ናብታ ቐላይ ወሪዱ ነቲ ማይ የንቀሳቕሶ ነበረ እሞ፡ እቲ ቕድም ወሪዱ ኣብቲ እንተንሳቐሰ ማይ ዝኣተወ፡ ካብ ዘለዎ ሕማም ዘበለ ይሓዊ ነበረ። 5ሰላሳን ሾሞንተን ዓመት ዝሓመመ ሰብኣይ ከኣ ኣብኣ ነበረ። 6የሱስ ድማ ነዚ ደቂሱ ምስ ረኣዮ፡ ነዊሕ ዘመን ምሕማሙ ፈሊጡ፥ ክትሓዊዶ ትደሊ ኢኻ፡ በሎ። 7እቲ ሕሙም ከኣ፥ ጐይታይ፡ እቲ ማይ ምስ ተንቀሳቐሰ፡ ናብቲ ቐላይ ዘውርደኒ ሰብ የብለይን። ኣነ ኽሳዕ ዝመጽእ ድማ ካልእ ቀዲሙኒ ይወርድ፡ ኢሉ መለሰሉ። 8የሱስ ከኣ፥ ተንስእ፡ ዓራትካ ኣልዕል እሞ ኪድ፡ በሎ። 9እቲ ሰብኣይ ብኡብኡ ሓወየ፡ ዓራቱ ኣልዒሉውን ከደ። እታ መዓልቲ እቲኣ ሰንበት ነበረት። 10ስለዚ ኣይሁድ ነቲ ዝሓወየ ሰብኣይ፥ ሎሚ ሰንበት እያ እሞ፡ ዓራትካ ኽትጸውር ኣይተፈቕደልካን፡ በልዎ። 11ንሱ ግና፥ እቲ ዘሕወየኒ እዩ ዓራትካ ኣልዕል እሞ ኪድ ዝበለኒ፡ ኢሉ መለሰሎም። 12ንሳቶም፥ እቲ ዓራትካ ኣልዕል እሞ ኪድ ዝበለካ ሰብኣይከ እንታዋይ እዩ፧ ኢሎም ሓተትዎ። 13እቲ ዝሓወየ ግና፡ ኣብቲ ቦታ እቲ ብዙሕ ህዝቢ ስለ ዝነበረ እሞ የሱስ ድሕር ኢሉ ስለ ዝነበረ፡ ንሱ መን ምዃኑ ኣይፈለጠን። 14ድሕርዚ የሱስ ኣብ ቤተ መቕደስ ረኸቦ እሞ፥ እንሆ ሓዊኻ፡ ካብዚ ዝገድድ ከይረኽበካስ፡ መሊስካ ኣይትበድል፡ በሎ። 15እቲ ሰብኣይ ከይዱ፡ ንኣይሁድ እቲ ዘሕወዮስ የሱስ ምዃኑ ነገሮም። 16ስለዚ፡ ብሰንበት እዚ ስለ ዝገበረ፡ ኣይሁድ ንየሱስ ይሰጕዎ፡ ክቐትልዎውን ይደልዩ ነበሩ። 17የሱስ ግና፥ ኣቦይ ክሳዕ ሕጂ ይገብር፡ ኣነውን እገብር ኣሎኹ፡ ኢሉ መለሰሎም። 18ስለዚ ሰንበት ብምስዓሩ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንኣምላኽ ድማ ኣቦይ ብምባሉን ርእሱ ምስ ኣምላኽ ብምምዕርራዩን ክቐትልዎ ኣዝዮም ይደልዩ ነበሩ። 19የሱስ መሊሱ በሎም፥ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ ወድስ ኣቦኡ ኽገብሮ ዝረኣዮ እምበር፡ ካብ ርእሱ ሓንቲ ነገር እኳ ኽገብር ኣይከኣሎን። ነቲ ንሱ ዝገብሮ ግብሪ እቲ ወዲ ድማ ከምኡ ዝበለ ይገብር እዩ። 20ኣቦ ንወዲ የፍቅሮ እዩ እሞ፡ ንሱ ዝገብሮ ዘበለ ዅሉ ድማ የርእዮ። ንስኻትኩም ምእንቲ ኽትግረሙ፡ ካብዚ ዝዓቢ ግብሪውን ከርእዮ እዩ። 21ኣቦ ንምዉታት ከም ዘተንስኦም ህያዋንውን ከም ዝገብሮም፡ ወዲ ድማ ከምኡ ነቶም ዝደለዮም ህያዋን ይገብሮም እዩ። 22-23ኵሉ ሰብ ከምቲ ነቦ ዘኽብሮ ገይሩ ንወዲ ምእንቲ ከኽብሮስ፡ ፍርዲ ዘበለ ንወዲ ሃቦ እምበር፡ ኣቦ ንሓደ እኳ ኣይፈርድን እዩ። እቲ ንወዲ ዘየኽብሮ ነቲ ዝለኣኾ ኣቦውን ኣየኽብሮን እዩ። 24እቲ ንቓለይ ዝሰምዖን በቲ ዝለኣኸኒ ዝኣምንን ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣላቶ። ንሱ ኻብ ሞት ናብ ህይወት ተሳገረ እምበር፡ ናብ ፍርዲ ኸም ዘይበጽሕ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 25እቶም ምዉታት ድምጺ ወዲ ኣምላኽ ዝሰምዑላ ሰዓት ትመጽእ፡ ንሳ ኸኣ ሕጂ እያ፡ እቶም ዝሰምዕዎ ድማ ህያዋን ክዀኑ እዮም፡ ኢለ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 26ነቦ ብርእሱ ህይወት ከም ዘላቶ፡ ንወዱውን ከምኡ ብርእሱ ኽትህልዎ፡ ህይወት ሃቦ። 27ወዲ ሰብ እዩ እሞ፡ ክፈርድ ስልጣን ሃቦ። 28-29ኣብ መቓብር ዘለዉ ዅላቶም ድምጹ ዝሰምዑላ ሰዓት ክትመጽእ እያ፡ ሰናይ ዝገበረ ናብ ትንሳኤ ህይወት፡ እኩይ ዝገበሩ ኸኣ ናብ ትንሳኤ ፍርዲ ክወጹ እዮም እሞ፡ በዚ ኣይትደነቑ። 30ካብ ርእሰይ ገለ ኽገብር ኣይክእልን። ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ እምበር፡ ፍቓደይ ኣይደልን እየ እሞ፡ ኣነ ከምቲ ዝሰማዕክዎ እየ ዝፈርድ፡ ፍርደይ ከኣ ቅኑዕ እዩ። 31ኣነ ብዛዕባ ርእሰይ ባዕለይ እንተ መስከርኩ፡ ምስክረይ ሓቂ ኣይከውንን እዩ። 32ንኣይ ዝምስክረለይሲ ኻልእ ኣሎ፡ እቲ ንሱ ብዛዕባይ ዝምስክሮ ምስክር ከኣ ሓቂ ምኳኑ እፈልጥ ኣሎኹ። 33ንስኻትኩም ናብ ዮሃንስ ለኣኽኩም፡ ንሱ ኸኣ ንሓቂ መስከረ። 34እዚ ግና ንስኻትኩም ምእንቲ ኽትድሕኑ እብል ኣሎኹ እምበር፡ ኣነስ ምስክር ሰብ ዝቕበል ኣይኰንኩን። 35ንሱ ዝነድድን ዘብርህን መብራህቲ ነበረ። ንስኻትኩም ከኣ በቲ ብርሃኑ ቕሩብ ግዜ ባህ ክብለኩም ደለኹም። 36ግናኸ እቲ ኣቦይ ክፍጽሞ ኢሉ ዝሃበኒ ግብሪ፡ እዚ ኣነ ዝገብሮ ዘሎኹ ግብሪ፡ ንሱ ኣቦይ ከም ዝለኣኸኒ ብዛዕባይ ይምስክር እዩ እሞ፡ ኣነ ኻብ ምስክር ዮሃንስ ዝዓቢ ምስክር ኣሎኒ። 37እቲ ዝለኣኸኒ ኣቦይ ከኣ፡ ንሱ ባዕሉ ብዛዕባይ መስከረ። ድምጹ ከቶ ኣይሰማዕኩምን ምስሉውን ኣይርኤኹምን። 38በቲ ንሱ ዝለኣኾ ኣይኣመንኩምን እሞ፡ ቃሉውን ኣይሓደረኩምን። 39ናይ ዘለኣለም ህይወት በተን ጹሑፋት እትረኽቡ እናመሰለኩምሲ ትምርምርወን ኣሎኹም፡ ንሳተን ከኣ ብዛዕባይ እየን ዝምስክራ። 40ህይወት ምእንቲ ኽትረኽቡ፡ ናባይ ክትመጹ ኣይትደልዩን ኢኹም። 41ኣነ ውዳሰ ሰብ ኣይቅበልን እየ። 42ፍቕሪ ኣምላኽ ከም ዘይብልኩም ግና እፈልጠኩም ኣሎኹ። 43ኣነ ብስም ኣቦይ መጻእኩ እሞ ኣይተቐበልኩምንን፡ ካልእ ብስም ርእሱ እንተ መጸ፡ ንእኡ ኽትቅበልዎ ኢኹም። 44ንስኻትኩም ካብ ሓድሕድኩም ክብረት እትቃባበሉ፡ ነታ ካብ ሓደ ኣምላኽ እትርከብ ክብረት ዘይትደልዩ፡ ከመይ ኢልኩም ክትኣምኑ ይዀነልኩም፡ 45ኣነ ኣብ ኣቦ ዝኸሰኩም ኣይምሰልኩም። ዝኸስኩምሲ ኣሎ፡ ንሱ ኸኣ እቲ ንስኻትኩም ተስፋ እትገብርዎ ሙሴ እዩ። 46ንሙሴ እንተ ትኣምንዎስ፡ ንሱ ብዛዕባይ ጽሒፉ ኣሎ እሞ፡ ንኣይ ድማ ምኣመንኩምኒ ኔርኩም። 47ነተን ጽሑፋቱ ኻብ ዘይትኣምንወን ግና፡ ከመይ ኢልኩም ደኣ ንቓለይ ክትኣምንዎ፧
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ወን.ዮሃንስ ምዕራፍ 6
1ድሕርዚ የሱስ ናብ ማዕዶ ባሕሪ ገሊላ፡ ንሳ ኸኣ ባሕሪ ጥብርያዶስ፡ ከደ። 2ብዙሓት ህዝቢ ኸኣ፡ ኣብ ሕሙማት ዝገበሮ ተኣምራት ርእዮም ነበሩ እሞ፡ ሰዓብዎ። 3የሱስ ድማ ናብ ከረን ደዪቡ፡ ኣብኡ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ተቐመጠ። 4ፋስጋ፡ እቲ በዓል ኣይሁድ፡ ድማ ቀሪቡ ነበረ። 5ሽዑ የሱስ ኣዒንቱ ቛሕ ኣቢሉ፡ ብዙሕ ህዝቢ ናብኡ ኽመጽእ ከሎ ርእዩ፡ ንፊልጶስ፥ እዚኣቶም ምእንቲ ኽበልዑስ እንጌራ ኻበይ ክንዕድግ ኢና፧ በሎ። 6እቲ ኽገብሮ ዝደለዮስ ባዕሉ ፈሊጥዎ ነበረ እሞ፡ እዚ ዝበሎ ምእንቲ ኽዕዘቦ እዩ። 7ፊልጶስ ከኣ፡ ናይ ክልተ ሚእቲ ዲናር እንጌራ እኳ ቘቍራስ ኣይበጽሖምን እዩ፡ ኢሉ መለሰሉ። 8ካብቶም ደቀ መዛሙርቱስ ሓደ፡ ንሱ ኸኣ እንድርያስ ሓው ስምኦን ጴጥሮስ፥ 9ሓሙሽተ ጐጎ ስገምን ክልተ ዓሳን ዘለዎ ቘልዓ ኣብዚ ኣሎ። እዚኣተን ግና ንኽንድዚ ዝኣክል ሰብ እንታይ ይጠቕማ፧ በሎ። 10የሱስ ከኣ፥ ኣቐምጥዎም፡ በለ። ኣብታ ቦታ እቲኣ ኸኣ ብዙሕ ሳዕሪ ነበረ። ሽዑ ተቐመጡ፡ ቍጽሮም ከኣ ኣስታት ሓሙሽተ ሽሕ ሰብኣይ ዝኣኽሉ ነበሩ። 11የሱስ ነተን ጐጎታት ኣልዒሉ፡ ኣመስጊኑ ነቶም እተቐመጡ ሃቦም፡ ካብቲ ዓሳታት ከኣ ከምኡ ከከም ዝደለይዎ መቐሎም። 12ምስ ጸገቡ ድማ፡ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ዝተረፈ ቘረርስ፡ ሓንቲ እኳ ኸይትጠፍእ፡ ኣክብዎ፡ በሎም። 13ስለዚ ኣከብዎ፡ ተረፍ እቶም ዝበልዑ ካብተን ሓሙሽተ ጐጎ ስገም ዓሰርተው ክልተ መሶብ ቈረርስ መልኡ። 14እቶም ሰብ ከኣ ነቲ የሱስ ዝገበሮ ትእምርቲ ምስ ረኣዩ፥ እዚ ብሓቂ እቲ ናብ ዓለም ክመጽእ ዘለዎ ነብዪ እዩ፡ በሉ። 15የሱስ ድማ፡ መጺኦም መንዚዖም ከንግስዎ ኸም ዝደለዩ ፈሊጡ፡ ከም ብሓድሽ በይኑ ናብ ከረን ኣግለሰ። 16ምስ መሰየ፡ ደቀ መዛሙርቱ ናብ ባሕሪ ወረዱ። 17ኣብ ጃልባ ኣትዮም ከኣ ናብ ስግር ባሕሪ ናብ ቅፍርናሆም ከዱ። ጸልሚቱ ነበረ፡ የሱስውን ናባታቶም ገና ኣይመጸን ነበረ። 18እቲ ባሕሪ ግና፡ ብርቱዕ ህቦብላ ስለ ዝነፈሰ፡ ይናወጽ ነበረ። 19ዕስራን ሓሙሽተን ወይ ሰላሳ እስታድዮስ ምስ ከዱ ኸኣ፡ የሱስ ባሕሪ ባሕሪ እናኸደ ናብታ ጃልባ ክቐርብ ከሎ፡ ርእዮም ፈርሁ። 20ንሱ ግና፡ ኣነ እየ፡ ኣይትፍርሁ፡ በሎም። 21ሽዑ ናብ ጃልባ ከእትውዎ ደለዩ፡ እታ ጃልባ ኸኣ ብኡብኡ ናብቲ ዝኸድዎ ዘለዉ ምድሪ በጽሐት። 22ንጽብሒቱ እቶም ኣብ ስግር ባሕሪ ደው ኢሎም ዘለዉ ህዝቢ፡ ብጀካ ሓንቲ ጃልባ ኻልእ ኣብኡ ኸም ዘይነበረት፡ ደቀ መዛሙርቱ ጥራይ ንበይኖም ከም ዝኸዱ እምበር፡ የሱስ ናብታ ጃልባ ኸም ዘይኣተወ ምስ ረኣዩ፦ 23ግናኸ ኻልኦት ጃለቡ ካብ ጥብርያዶስ ናብ ጥቓ እታ ጐይታ ምስ ባረኸ እንጌራ ዝበልዑላ ቦታ መጻ፦ 24ሽዑ እቶም ዝህቢ፡ የሱስ ኰነ ወይ ደቀ መዛሙርቱ ኣብኡ ዘይምህላዎም ርእዮም፡ ንሳቶም ድማ ናብተን ጃለቡ ኣትዮም ንየሱስ እናደለይዎ ናብ ቅፍርናሆም መጹ። 25ኣብ ስግር ባሕሪ ምስ ረኸብዎ ኸኣ፥ ረቢ፡ መኣዝ ናብዚ መጻእካ፡ በልዎ። 26የሱስ ድማ፥ እትደልዩኒ ዘሎኹምሲ እንጌራ ስለ ዝበላዕኩምን ዝጸገብኩምን ኢኹም እምበር፡ ተኣምራት ስለ ዝርኤኹም ከም ዘይኰንኩም፡ ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 27ወዲ ሰብ፡ ንእኡ ኣቦ፡ ንሱ ኸኣ ኣምላኽ፡ ሓቲምዎ እዩ እሞ፡ ነቲ ንሱ ዝህበኩም ንዘለኣለም ህይወት ዝነብር ብልዒ እምበር፡ ነዚ ሓላፊ ብልዒ ኣይትግበሩ’ ኢሉ መለሰሎም። 28ስለዚ ንሳቶም፥ ግብሪ ኣምላኽ ክንገብርሲ እንታይ ንግበር፡ በልዎ። 29የሱስ ከኣ። ግብሪ ኣምላኽ በቲ ንሱ ዝለኣኾ ኽትኣምኑ እዩ፡ በሎም። 30ስለዚ፥ ርኢና ክንኣምነካስ እንታይ ትእምርቲ እሞ ትገብር፧ እንታይከ ትገብር ኣሎኻ፧ 31ኣቦታትና፡ ከምቲ ክበልዑ ኻብ ሰማይ እንጌራ ሃቦም፡ ዝብል እተጻሕፈ፡ ኣብ በረኻ ማና በልዑ፡ በልዎ። 32-33ሽዑ የሱስ፥ እቲ ኻብ ሰማይ ዝወርድ ንዓለምውን ህይወት ዝህብ ናይ ኣምላኽ እንጌራ እዩ እሞ፡ ነቲ እንጌራ ሓቂ ኻብ ሰማይ ዝህበኩም ኣቦይ እዩ እምበር፡ ነቲ እንጌራ እቲ ኻብ ሰማይ ዝሃበኩምሲ ሙሴ ኸም ዘይኰነ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ በሎም። 34ሽዑ ንሳቶም፡ ጐይታይ፡ እቲ እንጌራ እቲኸ ኵሉ ሳዕ ሃበና፡ በልዎ። 35የሱስ በሎም፥ እንጌራ ህይወት ኣነ እየ። ናባይ ዝመጽእ ኣይጠምን፡ ብኣይ ዝኣምን ከቶ ኣይጸምእን እዩ። 36ግናኸ ከምቲ ዝበልኩኹም እዩ፥ ርኢኹምንስ ኣይኣመንኩምንን። 37ኣቦይ ዝህበኒ ዘበለ ናባይ ክመጽእ እዩ፡ ነቲ ናባይ ዝመጽእ ከቶ ንወጻኢ ኣይድርብዮን እየ። 38ኣነ ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ እምበር፡ ፍቓደይ ምእንቲ ኽገብር ኣይኰንኩን ካብ ሰማይ ወሪደ ዘሎኹ። 39-40ንወዲ ርእዩ ብእኡ ዝኣምን ዘበለ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክረክብ፡ ኣነውን በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ከተንስኦ፡ እዚ ፍቓድ ኣቦይ እዩ እሞ፡ ካብቲ ንሱ ዝሃበኒ ዘበለ በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኸተንስኦ እምበር፡ ሓደ እኳ ኸየጥፍእ፡ እዚውን ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ እዩ። 41ሽዑ ድማ፡ እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ እንጌራ ኣነ እየ፡ ስለ ዝበለ፡ ኣይሁድ ብዛዕባኡ ኣጕረምረሙ እሞ፥ 42እዝስ እቲ ኣቦኡን ኣዲኡን ንሕና እንፈልጦም የሱስ ወዲ ዮሴፍ ደይኰነን፡ ከመይ ኢሉ ደኣ፥ ካብ ሰማይ ወረድኩ፡ ይብል ኣሎ፧ ይብሉ ነበሩ። 43የሱስ መሊሱ በሎም፡ ንሓድሕድኩም ኣይተጕረምርሙ። 44እቲ ዝለኣኸኒ ኣቦይ ዝሰሓቦ እንተ ዘይኰይኑ፡ ናባይ ክመጽእ ዝኽእል የልቦን። ኣነ ድማ በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ከተንሲኦ እየ። 45ኣብ ነብያትውን፥ ኵሎም ካብ ኣምላኽ ምሁራት ክዀኑ እዮም፡ ዝብል ጹሑፍ ኣሎ። እቲ ኻብ ኣቦይ ዝሰምዐን እተማህረን ዘበለ ኸኣ ናባይ ይመጽእ። 46ብጀካ እቲ ኻብ ኣምላኽ ዝዀነ፡ ነቦ ዝረኣዮ የልቦን፡ ንሱ እዩ ነቦ ዝረኣዮ። 47እቲ ብኣይ ዝኣምን ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዘላቶ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 48እንጌራ ህይወት ኣነ እየ። 49ኣቦታትኩም ኣብ በረኻ ማና በልዑ እሞ ሞቱ። 50ካብኡ ዝበልዕ ዘበለ ምእንቲ ኸይመውት፡ ካብ ሰማይ ዝወረደ እንጌራ እዚ እዩ። 51እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ እንጌራ ህይወት ኣነ እየ። ካብዚ እንጌራ እዚ ዝበልዐ ዘበለ ንዘለኣለም ክነብር እዩ። እዚ ኣነ ምእንቲ ህይወት ዓለም ዝህቦ እንጌራ ኸኣ ስጋይ እዩ። 52ስለዚ ኣይሁድ፥ እዝስ፡ ስጋኡ ኽንበልዕ፡ ከመይ ገይሩ ክህበና ይከኣሎ፧ ኢሎም ንሓድሕዶም ተኻትዑ። 53የሱስ በሎም፥ ስጋ ወዲ ሰብ እንተ ዘይበላዕኩም፡ ደሙውን እንተ ዘይሰተኹምሲ፡ ህይወት ከም ዘይብልኩም፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 54ስጋይ ዝበልዕ ደመይውን ዝሰቲ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣላቶ፡ ኣነውን በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኸተንስኦ እየ። 55ስጋይ ብልዒ ሓቂ እዩ እሞ፡ ደመይ ከኣ መስተ ሓቂ እዩ። 56እቲ ስጋይ ዝበልዕ ደመይውን ዝሰቲ ኣባይ ይነብር፡ ኣነውን ኣብኡ። 57ህያው ኣቦ ኸም ዝለኣኸኒ እሞ ኣነ ስለ ኣቦ ብህይወት ከም ዘሎኹ፡ ከምኡ ኸኣ እቲ ዝበልዓኒ ስለይ ብህወት ክነብር እዩ። 58እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ እንጌራ እዚ እዩ፡ ከምቲ ኣቦታትኩም ዝበልዕዎ ማና እሞ ዝሞቱ ኣይኰነን። ነዚ እንጌራ እዚ ዝበልዕሲ ንዘለኣለም ብህይወት ክነብር እዩ። 59ኣብ ቅፍርናሆም ኣብ ቤት ጸሎት ክምህር ከሎ እዩ እዚ እተዛረበ። 60ብዙሓት ካብ ደቀ መዛሙርቱ ነዚ ሰሚዖም፡ እዚ ዘረባ እዝስ ጭንቂ እዩ፡ መን ክሰምዖ ይኽእል፧ በሉ። 61የሱስ ድማ ደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባዚ ኸም ዘጕረምረሙ፡ ብልቡ ፈሊጡ፥ እዚዶ የዐንቅፈኩም ኣሎ፧ 62ወዲ ሰብ ናብቲ ቐደም ዝነበሮ ኽድይብ ከሎ እንተ ትርእዩ ደኣ፡ ከመይ እዩ፧ 63መንፈስ እዩ ህያው ዝገብር፡ ስጋስ ገለ እኳ ኣይጠቅምን እዩ። እዘን ኣነ ዝነገርኩኹም ቃላት፡ መንፈስ እየን ህይወትውን እየን። 64የሱስ እቶም ዘይኣምኑ ኣየኖት ምዃኖም፡ እቲ ዝትሕዞውን መን ምዃኑ ኻብ መጀመርታ ፈሊጡ ነበረ እሞ፥ 65ዘይኣምኑ ግና ኣብ ማእከልኩም ኣለዉ፡ ስለዚ ድማ እየ፥ እቲ ኻብ ኣቦይ እተዋህቦ እንተ ዘይኰይኑስ፡ ናባይ ክመጽእ ዝኽእል የልቦን፡ ዝበልኩኹም፡ በሎም። 66ካብ ሽዑ ጀሚሮም ብዙሓት ካብ ደቀ መዛሙርቱ ንድሕሪት ተመልሱ ምስኡውን ኣይከዱን። 67ስለዚ የሱስ ነቶም ዓሰርተው ክልተ፡ ንስኻትኩምከ ኽትከዱዶ ትደልዩ ኣሎኹም፡ በሎም። 68ስምኦን ጴጥሮስ ከኣ፥ ጐይታይ፡ ንስኻ ናይ ዘለኣለም ህይወት ቃል ኣሎካ፡ ናብ መን እሞ ኽንከይድ፧ 69ንሕናስ ንስኻ ክርስቶስ ወዲ ህያው ኣምላኽ ምዃንካ ኣሚንናን ፈሊጥናን ኣሎና፡ ኢሉ መለሰሉ። 70የሱስ ከኣ፥ ኣነስ ንዓሰርተው ክልቴኹምዶ ሓርየኩም ኣይኰንኩን፡ ሓደ ካባኻትኩም ግና ድያብሎስ እዩ፡ ኢሉ መለሰሎም። 71እዚ ዝበለ ኸኣ ብዛዕባ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ወዲ ስምኦን እዩ። ከትሕዞ ዘለዎ ንሱ እዩ እሞ፡ ንሱውን ካብቶም ዓሰርተው ክልተስ ሓደ እዩ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ወን.ዮሃንስ ምዕራፍ 7
1ድሕርዚ የሱስ፡ ኣይሁድ ክቐትልዎ ይደልዩ ስለ ዝነበሩ፡ ኣብ ምድሪ ይሁዳ ክዘውር ኣይፈተወን እሞ፡ ኣብ ገሊላ ይዘውር ነበረ። 2እቲ ናይ ኣይሁድ በዓል ዳስ ድማ ቀሪቡ ነበረ። 3-5ኣሕዋቱ ድማ ብእኡ ኣይኣመኑን ነበሩ እሞ፡ ስለዚ እቶም ኣሕዋቱ፥ ባዕሉ ኽገሃድ እናደለየስ ብሕቡእ ዝገብር የልቦን እሞ፡ እዚ እትገብር እንተ ዄንካስ፡ ርእስኻ ንዓለም ግለጽ። ደቀ መዛሙርትኻ እትገብሮ ግብሪ ምእንቲ ኽርእዩስ፡ ካብዚ ንቐል እሞ ናብ ምድሪ ይሁዳ ኺድ፡ በልዎ። 6የሱስ ከኣ፥ ግዜይ ገና ኣይበጽሐን፡ ግዜኹም ግና ኵሉ ሳዕ እተዳለወ እዩ። 7ዓለም ንኣኻትኩም ክትጸልእ ኣይከኣላን፡ ንኣይ ግና፡ ግብራ ኽፉእ ምዃኑ እምስክር እየ እሞ፡ ትጸልኣኒ እያ። 8ንስኻትኩም ደኣ ናብቲ በዓል ደይቡ። ኣነስ፡ ግዜይ ገና ኣይበጽሐን እዩ እሞ፡ ናብዚ በዓልዚ ገና ኣይድይብን እየ፡ በሎም። 9እዚ ምስ በሎም፡ ኣብ ገሊላ ተረፈ። 10እቶም ኣሕዋቱ ምስ ደየቡ ኸኣ፡ ንሱ ድማ ሽዑ ናብቲ በዓል ደየበ። ግናኸ ተሓቢኡ እምበር፡ ብግሁድ ኣይኰነን። 11ኣይሁድ ግና በቲ በዓል፥ ኣበይ ኣሎ ንሱ፧ እናበሉ ይደልይዎ ነበሩ። 12እቶም እኩባት ህዝቢ ድማ፡ ገሊኦም፥ ሕያዋይ እዩ፡ ይብሉ፡ ገሊኦም ድማ፡ ኣይኰነን፡ ንህዝቢ ደኣ የስሕት ኣሎ፡ እናበሉ ብዛዕባኡ ይካትዑ ነበሩ። 13ንኣይሁድ ስለ ዝፈርሁ ግና፡ ብዛዕባኡ ኣግሂዱ እተዛረበ የልቦን። 14የሱስ ኣብ ፍርቂ እቲ በዓል ናብ ቤተ መቕደስ ደዪቡ ይምህር ነበረ። 15ስለዚ ኣይሁድ፡ እዝስ ከይተማህረ ኸመይ ገይሩ ጽሑፋት ይፈልጥ፧ ኢሎም ተገረሙ። 16ሽዑ የሱስ መሊሱ በሎም፥ ትምህርተይሲ ናይቲ ዝለኣኸኒ እዩ እምበር፡ ናተይ ኣይኰነን። 17ፍቓዱ ኽገብር ዝደሊ እንተሎ፡ ንሱ ብዛዕባ ትምህርተይ ካብ ኣምላኽ እንተ ዀይኑ፡ ወይስ ካብ ርእሰይ እንተ ዀይኑ ዝዛረብ ዘሎኹ፡ ክፈልጥ እዩ። 18እቲ ኻብ ርእሱ ዝዛረብ ክብረት ርእሱ እዩ ዝደሊ። እቲ ነቲ ዝለኣኾ ከኽብር ዝደሊ ግና፡ ንሱ ሓቀኛ እዩ እሞ፡ ኣብኡ ዓመጻ የልቦን። 19ሙሴዶ ሕጊ ኣይሃበኩምን እዩ፧ ካባኻትኩም ሓደ እኳ ነቲ ሕጊ ዝገብሮ የልቦን። ንምንታይ ደኣ ኽትቀትሉኒ ትደልዩ ኣሎኹም፧ 20እቶም ህዝቢ ኸኣ፥ ጋኔን ኣሎካ፡ መን እዩ ክቐትለካ ዝደሊ፧ ኢሎም መለስሉ። 21የሱስ ከኣ፥ ሓደ ግብሪ ገበርኩ፡ ንዅላትኩም ድማ ኣስተንከረኩም። 22ምእንትዚ ሙሴ ግዝረት ሰርዓልኩም፡— እዚ ድማ ካብ ኣቦታት እዩ እምበር፡ ካብ መሴ ኣይኰነን፡— ንሰብ ብሰንበት ትገዝርዎ ኣሎኹም። 23እቲ ሕጊ ሙሴ ምእንቲ ኸይፈርስሲ፡ ሰብ ብሰንበት ዝግዘር ካብ ኰነ፡ ኣነ ንሰብ ኵለንትናኡ ብሰንበት እንተ ኣሕዌኽዎ ደኣ፡ ስለምንታይ ትዅርዩለይ ኣሎኹም፡ 24ቅኑዕ ፍርዲ ፍረዱ እምበር፡ ላዕለ ላዕሊ ርኢኹም ኣይትፍረዱ፡ ኢሉ መለሰሎም። 25ገለ ኻብ ሰብ የሩሳሌም ድማ፡ እቲ ክቐትልዎ ዝደልዩስ፡ እዚዶ ኣይኰነን፧ 26እንሆ፡ ንሱ ብግሁድ ይዛረብ ኣሎ፡ ንሳቶምውን ገለ ኣይብልዎን፡ እዞም መኳንንቲ ደዀን ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ ብሓቂ ፈሊጦም ኰይኖም፧ 27ግናኸ እዚ ካበይ ምዃኑ ንፈልጦ ኢና፡ ክርስቶስ ክመጽእ ከሎ ግና፡ ካበይ ምዃኑ ዝፈልጥ የልቦን፡ በሉ። 28የሱስ ከኣ ኣብ ቤተ መቕደስ ክምህር ከሎ፡ ዓው ኢሉ፥ ንኣይ ትፈልጡኒ፡ ካበይ ምዃነይውን ትፈልጡ ኢኹም። ኣነ ብርሰይ ኣይመጻእኩን፡ እቲ ዝለኣኸኒ ግና ሓቀኛ እዩ፡ ንእኡ ንስኻትኩም ኣይትፈልጥዎን ኢኹም። 29ኣነ ግና ካብኡ እየ፡ ንሱውን ልኢኹኒ እዩ እሞ፡ እፈልጦ እየ፡ በለ። 30ስለዚ ኽሕዝዎ ደለዩ። ግዜኡ ስለ ዘይበጽሐ ግና፡ ኢዱ ዘልዓለሉ የልቦን። 31ካብቶም ዝህቢ ኸኣ ብዙሓት ብእኡ ኣመኑ እሞ፡ ክርስቶስ ምስ ዝመጽእከ፡ ካብዚ ንሱ ዝገበሮ ትእምርቲ ዝበዝሕዶ ክገብር ኢሉ፧ በሉ። 32ፈሪሳውያን ድማ እቶም ህዝቢ ብዛዕባኡ እዚ ኢሎም ከም ዘጕረምረሙ ሰምዑ። ሊቃውንቲ ካህናትን ፈሪሳውያንን ከኣ ክሕዝዎ ገላዉኦም ለኣኹ። 33ስለዚ የሱስ፥ ገና ቕሩብ ዘመን ምሳኻትኩም እየ፡ ናብቲ ዝለኣኸኒ ኸኣ ክኸይድ እየ። 34ክትደልዩኒ ኣይክትረኽቡንን ኢኹም፡ ናብቲ ኣነ ዘሎኽዎ ኸኣ ንስኻትኩም ክትመጹ ኣይኰነልኩምን እዩ፡ በሎም። 35ስለዚ ኣይሁድ፥ ንሕና ኽንረኽቦ ዘይኰነልናስ እዚ ናበይ ክኸይድ ኰን ሓሊኑ እዩ፡ ናብቶም ኣብ ሃገር ጽርኢ ፋሕ ኢሎም ዘለዉ ደዀን ክኸይድ እሞ ነቶም ጽርኣውያን ክምህር ሓሲቡ ዀይኑ፧ 36ክትደልዩኒ ኣይክትረኽቡንን ኢኹም፡ ናብቲ ኣነ ዘሎኽዎ ኽትመጹ ድማ ኣይኰነልኩምን፡ ዝብሎ ቓልሲ እንታይ እዩ፧ ተባሃሃሉ። 37በታ ዳሕረይቲ ዓባይ መዓልቲ በዓል የሱስ ደው ኢሉ ጨደረ በለውን፥ ዝጸምአ እንተሎ፡ ናባይ ይምጻእ እሞ ይስተ። 38ብኣይ ዝኣምን፡ እቲ ጽሑፍ ከም ዝበለ፡ ካብ ከብዱ ርባታት ማይ ህይወት ክውሕዝ እዩ። 39የሱስ ገና ስለ ዘይከበረ መንፈስ ቅዱስ ኣይወረደን ነበረ እሞ፡ እዚ ብዛዕባቲ እቶም ብእኡ ዝኣመኑ ክቕበልዎ ዘለዎም መንፈስ እዩ እተዛረበ። 40ሽዑ ኻብቶም ህዝቢ ሓያሎ እዚ ዘረባዚ ሰሚዖም፥ እዚ ብሓቂ እቲ ነብዪ እዩ፡ በሉ። 41ካልኦትውን፥ እዚ ክርስቶስ እዩ፡ በሉ። ገሊኦም ግና፥ ክርስቶስ ደዀን ካብ ገሊላ ዝመጽእ ኰይኑ፧ 42እቲ ጽሑፍዶ፡ ክርስቶስ ካብ ዘርኢ ዳዊት፡ ካብታ ዳዊት ዝነበራ ዓዲ፡ ካብ ቤት ልሄም፡ ከም ዝመጽእ፡ ኣይነግርን እዩ፡ በሉ። 43ሽዑ ኣብቶም ህዝቢ ብዛዕባኡ ምፍልላይ ኰነ። 44ገሊኦም ከኣ ክሕዝዎ ደለዩ፡ ኢዱ ዘልዓለሉ ግና የልቦን። 45እቶም ገላዉ ኸኣ ናብ ሊቃውንቲ ኻህናትን ፈሪሳውያንን መጹ። ንሳቶም ድማ፡ ከመይከ ዘየምጻእኩምዎ፧ በልዎም። 46እቶም ገላዉ፥ ከምዚ ሰብኣይዚ ገይሩ ከቶ ሰብ ኣይተዛረበን፡ ኢሎም መለሱ። 47ፈሪሳውያን ከኣ፥ ንስኻትኩምውንዶ ስሒትኩም ኢኹም፡ 48ካብ መኳንንቲ ወይ ካብ ፈሪሳውያንከ ብእኡ ዝኣመነዶ ኣሎ፧ 49እዚ ሕጊ ዘይፈልጥ ህዝብዚ ግና ርጉም እዩ፡ ኢሎም መለሱሎም። 50ሓደ ኻባታቶም፡ እቲ ቕድም ብለይቲ ናብ የሱስ ዝመጸ ኒቆዲሞስ፥ 51ሕግናኸ ንሰብዶ፡ ቅድም ከይተሰምዐን እቲ ዝገበሮ ኸይተፈልጠን፡ ይፈርዶ እዩ፧ በሎም። 52ንሳቶም፥ ንስኻውንዶ ኻብ ገሊላ ኢኻ፧ መርምር እሞ ካብ ገሊላ ነብዪ ኸም ዘይትንስእ ክትርኢ ኢኻ፡ ኢሎም መለሱሉ። 53ኵሎም ከኣ ነናብ ቤቶም ከዱ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ወን.ዮሃንስ ምዕራፍ 8
1የሱስ ግና ናብ ደብረ ዘይቲ ኸደ። 2ምድሪ ምስ ወግሐ፡ ኣንጊሁ ኸም ብሓድሽ ናብ ቤተ መቕደስ መጸ። ብዘሎ እቲ ህዝቢውን ናብኡ መጸ፡ ተቐሚጡ ኸኣ ይምህሮም ነበረ። 3ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ድማ ኣብ ዝሙት እተረኽበት ሰበይቲ ናብኡ ኣምጺኦም፡ ኣብ ማእከል ደው ኣቢሎም፥ 4መምህር፡ እዛ ሰበይቲ እዚኣ ኽትዝሙ ኸላ ተትሒዛ። 5ከምዚኣ ዝበለት ከኣ ብዳርባ እምኒ ኽትመውት፡ ሙሴ ብሕጊ ኣዚዙና ኣሎ፡ ንስኻኸ ብዛዕባኣ እንታይ ትብል፡ በልዎ። 6መኽሰሲ ምእንቲ ኽረኽቡሉ፡ እዚ ኢሎም ፈተንዎ። የሱስ ከኣ ደኒኑ በጻብዑ ኣብ ምድሪ ጸሓፈ። 7ደጋጊሞም ምስ ሓተትዎ ኸኣ፡ ቅንዕ ኢሉ፡ ካባኻትኩም ሓጢኣት ዘይብሉ፡ ንሱ ቕድም እምኒ የውድቐላ፡ በሎም። 8ከም ብሓድሽ ከኣ ደኒኑ ኣብ ምድሪ ጸሓፈ። 9ንሳቶም ግና እዚ ምስ ሰምዑ፡ ብሕሊናኦም ተረትዑ እሞ፡ ካብ ዓበይቲ ጀሚሮም ክሳዕ እቶም ዳሕሮት፡ ኵሎም በብሓደ ወጹ። የሱስ ምስታ ኣብ ማእከል ደው ኢላ ዘላ ሰበይቲ በይኑ ተረፈ። 10የሱስ ከኣ ቅንዕ ኢሉ ብዘይ እታ ሰበይቲ ሓደ እኳ ኸም ዘየልቦ ምስ ረኣየ፡ ኣቲ ሰበይቲ፡ እቶም ከሰስትኺ ደኣ ኣበይ ኣለዉ፡ ዝፈርደኪዶ የልቦን፡ በላ። 11ንሳ ኸኣ፡ ሓደ እኳ፡ ጐይታይ፡ በለቶ። የሱስ ድማ፡ ኣነውን ኣይፈርደክን እየ፡ ኪዲ እሞ ደጊም ኣይትበድሊ፡ በላ። 12ሽዑ የሱስ፡ ኣነ ብርሃን ዓለም እየ። እቲ ዝስዕበኒ ብርሃን ህይወት ክረክብ እምበር፡ ብጸልማት ኣይክኸይድን እዩ፡ ኢሉ ኸም ብሓድሽ ተዛረቦም። 13ፈሪሳውያን ከኣ፡ ንስኻ ንርእስኻ ትምስክር ኣሎኻ፡ ምስክርካ ሓቂ ኣይኰነን፡ በልዎ። 14የሱስ መሊሱ በሎም፡ ኣነ ንርእሰይ እኳ እንተ መስከርኩ፡ ካበይ ከም ዝመጻእኩ ናበይውን ከም ዝኸይድ፡ እፈልጥ እየ እሞ፡ ምስክረይ ሓቂ እዩ። ንስኻትኩም ግና ካበይ ከም ዝመጻእኩ ናበይውን ከም ዝኸይድ፡ ኣይትፈልጡን ኢኹም። 15ንስኻትኩም ፍርዲ ስጋ ኢኹም እትፈርዱ ዘሎኹም፡ ኣነስ ንሓደ እኳ ኣይፈርድን እየ። 16ኣነን እቲ ዝለኣኸኒ ኣቦን ኢና እምበር፡ በይነይ ኣይኰንኩን እሞ፡ ኣነ እንተ ፈረድኩ ኸኣ፡ ፍርደይ ሓቂ እዩ። 17ምስክር ክልተ ሰብሲ ሓቂ ምዃኑ ኣብቲ ሕግኹም ጽሑፍ ኣሎ። 18ኣነ እየ ብናይ ርእሰይ ዝምስክር ዘሎኹ፡ እቲ ዝለኣኸኒ ኣቦይውን ይምስክረለይ ኣሎ። 19ስለዚ ኸኣ፡ ኣቦኻኸ ኣበይ ኣሎ፡ በልዎ። የሱስ ድማ፡ ንኣይ ወይስ ነቦይ ኣይትፈልጡን ኢኹም። ንኣይ እንተ ትፈልጡኒ ግና፡ ነቦይውን ምፈለጥኩምዎ ኔርኩም፡ ኢሉ መለሰ። 20የሱስ ኣብ ቤተ መቕደስ ኣብ ጥቓ ሳጹን ምጽዋት ኰይኑ ክምህር ከሎ፡ እዚ ቓልዚ ተዛረበ። ግናኸ ግዜኡ ገና ስለ ዘይበጽሐ፡ ዝሓዞ የልቦን። 21ስለዚ የሱስ ከም ብሓድሽ፥ ኣነ እኸይድ ኣሎኹ፡ ክትደልዩኒ ኢኹም፡ ብሓጢኣትኩም ከኣ ክትሞቱ ኢኹም። ናብቲ ኣነ ዝኸዶ ንስኻትኩም ክትመጹ ኣይኰነልኩምን እዩ፡ በሎም። 22ሽዑ ኣይሁድ፡ ናብቲ ኣነ ዝኸዶ ንስኻትኩም ክትመጹ ኣይኰነልኩምን እዩ ምባሉስ፡ ንነፍሱ ደዀን ክቐትላ ኢሉ፡ በሉ። 23ንሱ ኸኣ፡ ንስኻትኩም ካብ ታሕቲ ኢኹም፡ ኣነ ኻብ ላዕሊ እየ። ንስኻትኩም ካብዛ ዓለም እዚኣ ኢኹም፡ ኣነ ኻብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰንኩን። 24ኣነ ምዃነይ እንተ ዘይኣመንኩም፡ ብሓጢኣትኩም ክትሞቱ ኢኹም እሞ፡ ስለዚ እየ፡ ብሓጢኣትኩም ክትሞቱ ኢኹም፡ ዝበልኩኹም፡ በሎም። 25ሽዑ ንሳቶም፡ ንስኻ መን ኢኻ፧ በልዎ። የሱስ ከኣ፡ ኣነ እቲ ኻብ ቀደም እነግረኩም ዝነበርኩ እየ። 26ብዛዕባኹም ዝዛረቦን ዝፈርዶን ብዙሕ ኣሎኒ። እቲ ዝለኣኸኒ ግና ብዓል ሓቂ እዩ፡ ካብኡ ዝሰማዕክዎ ንዓለም እነግር ኣሎኹ፡ በሎም። 27ንሳቶም፡ ብዛዕባ ኣቦ ኸም እተዛረቦም፡ ኣይፈለጡን። 28ስለዚ የሱስ፡ ንወዲ ሰብ ልዕል ምስ ኣበልኩምዎ፡ ከምቲ ኣቦይ ዝመሃረኒ ኸምኡ ኸም ዝነግር እምበር፡ ኣነ ምዃነይን ካብ ርእሰይ ሓንቲ ኸም ዘይገብርን፡ ሽዑ ኽትፈልጡ ኢኹም። 29እቲ ዝለኣኸኒ ኸኣ ምሳይ ኣሎ። ኵሉ ሳዕ ባህ ዘብሎ እገብር እየ እሞ፡ በይነይ ኣይሓድገንን እዩ፡ በሎም። 30ንሱ እዚ ምስ ተዛረበ፡ ብዙሓት ብእኡ ኣመኑ። 31ስለዚ የሱስ ነቶም ብእኡ ዝኣመኑ ኣይሁድ፡ ንስኻትኩም ኣብ ቃለይ እንተ ጸናዕኩም፡ ብሓቂ ደቀ መዛሙርተይ ኢኹም። 32ንሓቂ ኽትፈልጥዋ ኢኹም፡ እታ ሓቂ ድማ ሓራ ኸተውጽኣኩም እያ፡ በሎም። 33ንሳቶም ከኣ፥ ንሕና ዘርኢ ኣብርሃም ኢና፡ ባሮት ኰይንና ን`ተገዛእናዮ ከቶ የብልናን። ከመይ ኢልካ ኢኻ ሓራ ኽትወጹ ኢኹም እትብለና ዘሎኻ፧ ኢሎም መለሰሉ። 34የሱስ መለሰሎም፥ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፥ ሓጢኣት ዝገብር ዘበለ፡ ንሱ ባርያ ሓጢኣት እዩ። 35ባርያ ኸኣ ኣብ ቤት ንዅሉ ግዜ ኣይነብርን፡ ውሉድ ግና ንዅሉ ግዜ ይነብር እዩ። 36ስለዚ ወዲ ሓራ እንተ ኣውጽኣኩም፡ ብሓቂ ውጹኣት ሓራ ኽትኰኑ ኢኹም። 37ንስኻትኩም ዘርኢ ኣብርሃም ምዃንኩምሲ እፈልጥ ኣሎኹ። ቃለይ ኣባኻትኩም ስለ ዘይኣተወ ግና፡ ክትቀትሉኒ ትደልዩ ኣሎኹም፡ 38ኣነ ኣብ ኣቦይ ዝረኣኽዎ እዛረብ ኣለኹ፡ ንስኻትኩም ከኣ ኣብ ኣቦኹም ዝርኣኹምዎ ትገብሩ ኣሎኹም። 39ንሳቶም፥ ኣቦናስ ኣብርሃም እዩ፡ ኢሎም መለስሉ። የሱስ ከኣ፥ ውሉድ ኣብርሃም እንተ ትዀኑስ፡ ግብሪ ኣብርሃም ምገበርኩም ኔርኩም። 40ሕጂ ግና ንኣይ፡ ካብ ኣምላኽ ዝሰማዕክዎ ሓቂ ንዝነገርኩኹም ሰብኣይ፡ ክትቀትሉኒ ትደልዩ ኣሎኹም፡ ኣብርሃም ከምዚ ኣይገበረን። 41ንስኻትኩምሲ ግብሪ ኣቦኹም ደኣ ትገብሩ ኣሎኹም፡ በሎም። ንሳቶም፥ ንሕናስ ካብ ምንዝርና ኣይተወለድናን። ሓደ ኣቦ ኣሎና፡ ንሱ ኸኣ ኣምላክ እዩ፡ በልዎ። 42የሱስ በሎም፥ ኣነ ኻብ ኣምላኽ እየ ዝወጻእኩን ዝመጻእኩን እሞ፡ ንሱ ደኣ ልኢኹኒ እዩ እምበር፡ ባዕለይ ኣይመጻእኩን፡ ስለዚ ኣቦኹም ኣምላኽ እንተ ዝኸውንሲ፡ ንኣይ መፍቀርኩምኒ ኔርኩም። 43ስለምንታይከ ኢኹም ዘረባይ ዘይተስተውዕሉ፡ ቃለይ ክትሰምዑ ስለ ዘይኰነልኩም እዩ። 44ንስኻትኩም ካብቲ ኣቦኹም ድያብሎስ ኢኹም፡ እታ ትምኒት ኣቦኹም ክትገብሩውን ትደልዩ ኣሎኹም። ንሱ ኻብ መጀመርያ ቐታል ነፍሲ እዩ፡ ሓቂ ኣብኡ ስለ ዘየልቦውን ኣብ ሓቂ ኣይጸንዐን። ሓሶት ክዛረብ ከሎ፡ ካብ ርእሱ እዩ ዝዛረብ። ሓሳዊ እዩ እሞ፡ ንሓሶትውን ኣቦኣ እዩ። 45ንኣይ ግና፡ ሓቂ ስለ ዝነገርኩ፡ ኣይትኣምኑንን። 46ካባኻትኩም ብሓጢኣት ዝረትዓኒኸ መን ኣሎ፧ ሓቂ ዝዛረብ ካብ ኰንኩኸ፡ ስለምንታይ ደኣ ዘይትኣምኑኒ፧ 47እቲ ኻብ ኣምላኽ ዝዀነ ንቓል ኣምላኽ ይሰምዕ እዩ። ንስኻትኩም ግና ካብ ኣምላኽ ኣይኰንኩምን እሞ፡ ስለዚ ኢኹም ዘይትሰምዑ። 48ኣይሁድ ከኣ፥ ሳምራዊ ምዃምካ ጋኔንውን ከም ዘሎካስ፡ ጽቡቕዶ ንብል ኣየሎናን፧ ኢሎም መለስሉ። 49ሽዑ የሱስ፡ ኣነስ ነቦይ ደኣ አኽብሮ ኣሎኹ እምበር፡ ጋኔንሲ የብለይን። ንስኻትኩም ከኣ ተሕስሩኒ ኣሎኹም። 50ኣነ ንርእሰይ ክብረት ኣይደልን እየ፡ እቲ ዝደልን ዝፈርድን ግና ኣሎ። 51ቃለይ ዝሕሉ እንተሎ፡ ንዘለኣለም ሞት ከም ዘይርኢ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ ኢሉ መለሰሎም። 52ኣይሁድ ድማ፥ ጋኔን ከም ዘሎካ፡ ሕጂ ፈለጥና። ኣብርሃም እኳ ሞይቱ ነብያትውን። ንስኻ ግና፥ ቃለይ ዝሕሉ ንዘለኣለም ሞት ኣይጥዕምን እዩ ትብል ኣሎኻ። 53ካብቲ ዝሞተ ኣቦና ኣብርሃምዶ ንስኻ ትዓቢ፧ ነብያትውን ሞይቶም። ንርእስኻ መን ትገብራ ኣሎኻ፧ በልዎ። 54የሱስ ከኣ፥ ኣነ ርእሰይ እንተ ኣኽበርኩ፡ ክብረተይ ፍረ የብሉን። ዘኽብረንስ እቲ ንስኻትኩም ኣምላኽና እትብልዎ ኣቦይ እዩ። 55ንስኻትኩም ኣይትፈልጥዎን ኢኹም፡ ኣነ ግና እፈልጦ እየ። ኣይፈልጦን እንተ ዝብል ከኣ፡ ከማኻትኩም ሓሳዊ ምዀንኩ ነይረ። ኣነ ግና እፈልጦ፡ ቃሉውን እሕሉ እየ። 56ኣቦኹም ኣብርሃም መዓልተይ ክርኢ ተሓጐሰ፡ ረኣያ እሞ ባህ በሎ፡ ኢሉ መለሰሎም። 57ኣይሁድ ከእ፡ ገና ሓምሳ ዓመት እኳ ዘይገበርካስ፡ ንኣብርሃምዶ ርኢኻዮ ኢኻ፧ በልዎ። 58የሱስ ከኣ፥ ኣነ፡ ኣብርሃም ከይተወልደ፡ ከም ዘሎኹ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ በሎም። 59ስለዚ ክድርብዩሉ እምኒ ኣልዓሉ። የሱስ ግና ተሓብአ ኻብ ቤተ መቕደስውን ብማእከሎም ሓሊፉ ወጸ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ወን.ዮሃንስ ምዕራፍ 9
1ክሓልፍ ከሎ፡ ብዕዉሩ እተወልደ ሰብኣይ ረኣየ። 2ደቀ መዛሙርቱ ድማ፥ መምህር፡ ዕዉር ኰይኑ ዝውለድሲ መን እዩ ዝበደለ፡ ንሱዶ ወይስ ወለዱ፧ ኢሎም ሓተትዎ። 3የሱስ ከኣ፡ ግብሪ ኣምላኽ ኣብኡ ምእንቲ ኽገሃድ ደኣ እዩ እምበር፡ ንሱ ኣይበደለ፡ ወለዱ ኣይበደሉ። 4መዓልቲ ኸላ፡ ግብሪ እቲ ዝለኣኸኒ ኽገብር ይግብኣኒ እዩ፡ ሓደ እኳ ኽዓየላ ዘይከኣሎ ለይቲ ትመጽእ ኣላ። 5ኣነ ኣብ ዓለም ከሎኹ፡ ብርሃን ዓለም እየ፡ ኢሉ መለሰሎም። 6እዚ ኢሉ ናብ ምድሪ ጡፍ በለ፡ በቲ ጥፍጣፉውን ጸብሪ ገበረ፡ በቲ ጸብሪ ኸኣ ኣዒንቲ እቲ ዕዉር ለኸየ እሞ፥ 7ኣብቲ ቐላይ ሰሊሆም፡— ትርጓሚኡ ልኡኽ፡— ኬድካ ተሓጸብ፡ በሎ። ከይዱ ተሓጽበ፡ እናረኣየውን ተመልሰ። 8ስለዚ እቶም ጐረባብቱን እቶም ቀደም ከልምን ከሎ ዝርእይዎ ዝነበሩን፥ እዝስ እቲ ተቐሚጡ ዝልምን ዝነበረ ደይኰነን፧ በሉ። 9ገሊኦም፥ ንሱ እዩ፡ በሉ። ካልኦት ከኣ፥ ኣይኰነን፡ ንእኡ ደኣ እዩ ዝመስል፡ በሉ። ንሱ ግና ኣነባ እየ፡ በለ። 10ስለዚ ንሳቶም፥ ከመይ ኢለን ደኣ ኣዒንትኻ ተኸፍታ፡ በልዎ። 11ንሱ ኸኣ፥ እቲ የሱስ ዝብሃል ሰብኣይ፡ ጸብሪ ገይሩ ኣዒንተይ ልኸዩ፥ ኪድ እሞ ናብ ሰሊሆም ተሐጸብ፡ በለኒ። ከድኩ እሞ ተሓጺበ ርኤኹ፡ ኢሉ መለሰሎም። 12እቲ ሰብኣይ እቲኸ ኣበይ ኣሎ፧ በልዎ። ንሱ ኸኣ፥ ኣይፈልጥን፡ በሎም። 13ነቲ ቕድም ዕዉር ዝነበረ ናብ ፈሪሳውያን ወሰድዎ። 14እታ የሱስ ጸብሪ ገይሩ ኣዒንቱ ዝኸፈተላ መዓልቲ ግና ሰንበት እያ ዝነበረት። 15ስለዚ ፈሪሳውያን፡ ከመይ ኢሉ ኸም ዝረኣየ፡ ከም ብሓድሽ ሓተትዎ። ንሱ ኸኣ፥ ጽብሪ ኣብ ኣዒንተይ ገበረለይ፡ ተሐጸብኩ እሞ ረአኹ፡ በሎም። 16ሽዑ ኻብቶም ፈሪሳውያን ሓያሎ፥ እዚ ሰብኣይ እዚ ሰንበት ካብ ዘየኽብርስ ካብ ኣምላኽ ኣይኰነን፡ በሉ። ካልኦት ድማ፥ ሓጥእ ሰብ ደኣ ኸመይ ገይሩ ኸምዚ ዝበለ ተኣምራት ክገብር ይኽእል፧ በሉ። ኣብ መንጎኦም ኽኣ ምፍልላይ ኰነ። 17ሽዑ መሊሶም ነቲ ዕዉር፡ ንስኻኸ፡ ኣዒንትኻ ኸፊቱልካ እዩ እሞ፡ ብዛዕባኡ እንታይ ትብል፧ በልዎ። ንሱ ድማ፥ ነብዪ እዩ፡ በለ። 18እቶም ኣይሁድ ግና ንወለዲ እቲ ኣዒንቱ እተኸፍታሉ ኽሳዕ ዝጽውዑ፡ ዕዉር ነይሩስ ከም ዝረኣየ ኣይኣመንዎን እሞ፥ 19እዚዶ እቲ ብዕዉሩ ተወሊዱ እትብልዎ ወድኩም እዩ፧ ሕጂ ኸመይ ኢሉ ይርኢ ኣሎ፧ ኢሎም ሓተትዎም። 20እቶም ወለዱ ድማ፥ እዚ ወድና ምዃኑ ብዕዉሩውን ከም እተወልደ፡ ንፈልጥ። 21ሕጂ ግና ከመይ ኢሉ ኸም ዝረኣየ ኣይንፈልጥን፡ መንሲ ኣዒንቱ ኸም ዝኸፈተሉ፡ ኣይንፈልጥን ኢና። ንእኡ ሕተትዎ፡ ንሱ በጽሒ እዩ፡ ብናይ ርእሱ ባዕሉ ይዛረብ፡ ኢሎም መለሱ። 22ኣይሁድ፡ ንሱ ክርስቶስ እዩ፡ ኢሉ ንዝመስከረ ኻብ ቤት ጸሎት ክስጕዎ ሓጊጎም ነበሩ እሞ፡ እቶም ወለዱ ንኣይሁድ ስለ ዝፈርሁ እዮም እዚ ዝበሉ። 23ስለዚ እቶም ወለዱ፥ ንሱ በጽሒ እዩ፡ ንእኡ ሕተትዎ፡ በሉ።
24ሽዑ ነቲ ዕዉር ዝነበረ ሰብኣይ ካልኣይ ሳዕ ጸዊዖም፥ እዚ ሰብኣይ እዚ ሓጥእ ምዃኑ ንሕና ንፈልጥ ኢና፡ ንኣምላኽ ክብሪ ሃብ፡ በልዎ። 25ሽዑ ንሱ መሊሱ፥ ኣነስ ሓጥእ ምዃኑ ኣይፈልጥን። ዕዉር ከም ዝነበርኩን ሕጂ እርኢ ኸም ዘሎኹን፡ እዛ ሓንቲ ነገር እዚኣ እየ ዝፈልጥ፡ በሎም። 26ሽዑ ንሳቶም፥ እንታይከ ገበረልካ፧ ከመይ ገይሩስ ኣዒንትኻ ኸፈተልካ፧ በልዎ። 27ንሱ ኸኣ፥ ቅድሚ ሕጂ ነጊረኩም ኣይሰማዕኩምን። ንምንታይ ከም ብሓድሽ ክትሰምዑ ትደልዩ ኣሎኹም፧ ንስካትኩምውንዶ ደቀ መዛሙርቱ ኽትኰኑ ትደልዩ ኣሎኹም፧ ኢሉ መለሰሎም። 28ጸረፍዎ እሞ፥ ንስኻ ወደ መዝሙሩ ኢኻ፡ ንሕና ግና ደቀ መዛሙርቲ ሙሴ ኢና። 29ንሕናስ፡ ኣምላኽ ንሙሴ ኸም እተዛረቦ፡ ንፈልጥ ኣሎና። እዚ ግና ካበይ ምዃኑ ኣይንፈልጥን ኢና፡ በልዎ። 30እቲ ሰብኣይ ከኣ፥ ካበይ ምዃኑ ዘይምፍላጥኩም ዘገርም እዩ፡ ንኣይ ግና ኣዒንተይ ከፊቱለይ። 31ንኣምላኽ ዝፈርህ ፍቓዱውን ዝገብር እንተሎ፡ ንእኡ ይሰምዖ እምበር፡ ኣምላኽ ንሓጥኣን ከም ዘይሰምዖም፡ ንፈልጥ ኢና። 32ንብዕዉሩ እተወልደ ሰብ ሓደ እኳ ኣዒንቱ ኸም ዝኸፈተሉ፡ ካብ ጥንቲ ከቶ ኣይተሰምዐን። 33እዚ ኻብ ኣምላኽ እንተ ዘይከውንሲ፡ ገለ ኽገብር እኳ ኣይምተኻእሎን ነይሩ፡ ኢሉ መለሰሎም። 34ንሳቶም ከኣ፥ ንስኻ ዅለንትናኻ ብሓጢኣት እተወለድካ ኢኻ፡ ንስኻዶ ንኣና ትምህረና ኣሎኻ፧ ኢሎም መለሰሉ፡ ናብ ወጻኢውን ኣውጽእዎ።
35የሱስ፡ ናብ ወጻኢ ኸም ዘውጽእዎ፡ ሰምዐ። ምስ ረኸቦ ኸኣ፥ ኣታ፡ ብወዲ ኣምላኽዶ ትኣምን ኢኻ፧ በሎ። 36ንሱ ኸኣ፥ ጐይታይ፡ ብእኡ ኽኣምንሲ መን እዩ ንሱ፧ ኢሉ መለሰ። 37የሱስ ድማ፥ ርኢኻዮ፡ እዚ ምሳኻ ዝዛረብ ዘሎ ንሱ እዩ፡ በሎ። 38ንሱ ኸኣ፥ ጐይታይ፡ እኣምን፡ በለ ሰገደሉውን። 39የሱስ ድማ፥ ኣነ እቶም ዘይርእዩ ምእንቲ ኽርእዩ፡ እቶም ዝርእዩ ኸኣ ክዑሩ፡ እየ ናብዛ ዓለም እዚኣ ንፍርዲ ዝመጻእኩ፡ በለ። 40ካብቶም ምስኡ ዘለዉ ፈሪሳውያን ሓያሎ እዚ ሰሚዖም፥ ንሕናኸ ዕዉራት ምዃንና ዲና፧ በልዎ። 41የሱስ ድማ፥ ዕዉራት እንተ ትዀኑስ፡ ሓጢኣት ኣይምዀነኩምን ነይሩ። ሕጂ ግና፥ ንርኢ ኣሎና፡ ትብሉ ኣሎኹም፡ ስለዚ ሓጢኣትኩም ጸኒዑ ይነብር፡ በሎም።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ወን.ዮሃንስ ምዕራፍ 10
1እቲ ናብ ደምበ ኣባጊዕ ብኣፍ ደገ ዘይኣቱ፡ ብኻልእ ወገን ዝሓኵር፡ ንሱ ሰራቕን ጕሒላን ከም ዝዀነ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 2እቲ ብኣፍ ደገ ዝኣቱ ግና፡ ንሱ ጓሳ ኣባጊዕ እዩ። 3ንእኡ እቲ ሓላው ደገ ይኸፍተሉ፡ እተን ኣባጊዕውን ቃሉ ይሰምዓ። ነተን ኣባጊዑ ኸኣ በብስመን ጸዊዑ የውፍረን። 4ነተን ኣባጊዕ ምስ ኣውፍረን ድማ፡ ቀቅድሚኤን ይኸይድ፡ እተን ኣባጊዕውን ድምጹ የለልያ እየን እሞ፡ ይስዕባኦ። 5ድምጺ ኻልእ ዘይፈልጣ ስለ ዝዀና፡ ንኻልእ፡ ካብኡ ይገልባ እምበር፡ ኣይስዕባኦን እየን። 6የሱስ እዚ ምስላዚ መሰለሎም፡ ንሳቶም ግና ነቲ እተዛረቦም ኣየስተውዓልዎን።
7ሽዑ የሱስ ከም ብሓድሽ በሎም፥ እቲ ደገ ኣባጊዕ ኣነ ከም ዝዀንኩ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 8እቶም ቅድመይ ዝመጹ ዅላቶም ሰረቕትን ጓሓሉትን እዮም፡ እተን ኣባጊዕ ግና ኣይሰምዓኦምን እየን። 9እቲ ደገ ኣነ እየ። ብኣይ ዝኣቱ ክድሕን፡ ክኣቱን ክወጽእን መጓሰዪውን ክረክብ ኣዩ። 10ሰራቒ፡ ብጀካ ኽሰርቕን ክሓርድን ከጥፍእን ኢሉ ኣይመጽእን እዩ። ኣነ ግና ህይወት ምስ ተረፉ ምእንቲ ኽረኽባ እየ ዝመጻእኩ።
11እቲ ሕያዋይ ጓሳ ኣነ እየ። እቲ ሕያዋይ ጓሳ ህይወቱ በጃ ኣባጊዑ የሕልፋ። 12እቲ ብዓል ዓስቢ ግና፡ ጓሳ ዘይኰነ፡ እተን ኣባጊዕውን ዘይጥሪቱ፡ ተዅላ ኽመጽእ ከሎ እንተ ረኣየ፡ ነተን ኣብጊዕ ሓዲግወን ይሃድም። እቲ ተዅላ ድማ ነተን ኣባጊዕ ይዛረፈን ፋሕውን የብለን። 13ብዓል ዓስቢ እዩ እሞ፡ ይሃድም፡ ግዲ እተን ኣባጊዕውን የብሉን። 14ሕያዋይ ጓሳ ኣነ እየ። ነባጊዐይ እፈልጠን እተን ኣባጊዐይውን ይፈልጣኒ እየን። 15ከምቲ ኣቦ ንኣይ ዝፈልጠኒ፡ ኣነውን ነቦ እፈልጦ እየ። ንነፍሰይ ከኣ በጃ እተን ኣባጊዕ አሕልፋ። 16ካብዚ መጓሰ እዚ ዘይኰና ኻልኦት ኣባጊዕውን ኣለዋኒ። ንኣታተን ድማ ከምጽአን እየ፡ ቃለይውን ክሰምዓ እየን። ሓደ መጓሰ ክዀና እየን ጓሳአንውን ሓደ። 17ኣነ ንነፍሰይ በጃ ኸሕልፋ፡ መሊሰውን ክወስዳ እየ እሞ፡ ስለዚ ኣቦ የፍቅረኒ እዩ። 18ባዕለይ እየ በጃ ዘሕልፋ እምበር ካባይ ዝወስዳስ የልቦን። በጃ ኸሕልፋ ስልጣን ኣሎኒ፡ መሊሰ ኽወስዳውን ስልጣን ኣሎኒ። ነዛ ትእዛዝ እዚኣ ኻብ ኣቦይ እየ እተቐበልክዋ።
19ብዛዕባ እዚ ዘረባ እዚ ድማ ኣብ ማእከል ኣይሁድ ከም ብሓድሽ ምፍልላይ ኰነ። 20ሽዑ ኻባታቶም ብዙሓት፥ ጋኔን ሒዝዎ ይዓብድ ኣሎ፡ እንታይ ኢልኩምዎ ኢኹም እትሰምዕዎ፧ በሉ። 21ካልኦት ግና፥ እዚ ዘረባ እዚ ዘረባ ዕቡድ ኣይኰነን። ጋኔንዶ ኣዒንቲ ዕዉራት ክኸፍት ይከኣሎ እዩ፧ በሉ።
22ኣብ የሩሳሌም በዓል ምሕዳስ ቤተ መቕደስ ኰነ፡ ክረምቲ ኸኣ ነበረ። 23የሱስ ድማ ኣብ ቤተ መቕደስ ኣብ ገበላ ሰሎሞን ይመላለስ ነበረ። 24ሽዑ ኣይሁድ ኣኽበብዎ እሞ፥ ክሳዕ መኣዝከ ኢኻ ላሕ እተብለና፡ ንስኻ ክርስቶስ እንተ ዄንካ፡ ኣግሂድካ ንገረና፡ በልዎ። 25የሱስ መለሰሎም፥ ነጊረኩም ኣይኣመንኩምን። እዚ ብስም ኣቦይ ዝገብሮ ዘሎኹ ግብርታት ይምስክረለይ ኣሎ። 26ንስኻትኩም ግና፡ ከምቲ ዝበልኩኹም፡ ካብተን ኣባጊዐይ ስለ ዘይኰንኩም፡ ኣይትኣምኑን ኢኹም። 27እተን ኣባጊዐይ ግና ድምጼይ ይሰምዓ፡ ኣነ ኸኣ አለልየን፡ ንሳተንውን ይስዕባኒ። 28ኣነ ኸኣ ህይወት ዘለኣለም እህበን፡ ንዘለኣለም ድማ ኣይጠፍኣን እየን፡ ካብ ኢደይውን ዝምንዝዐን የልቦን። 29እቲ ንኣታተን ዝሃበኒ ኣቦይ ካብ ኵሉ ይዓቢ እዩ’ ካብ ኢድ ኣቦይ ሓደ እኳ ኽምንዝዐን ዝኽእል የልቦን። 30ኣነን ኣቦን ሓደ ኢና።
31ኣይሁድ ብዳርባ እምኒ ኪቐትልዎ ኸም ብሓድሽ እምኒ ኣልዓሉ። 32የሱስ ከኣ፥ ካብ ኣቦይ ብዙሕ ሰናይ ግብርታት ኣርኤኹኹም። ስለ ኣያናዪ ግብሪ ኢኹም ብዳርባ እምኒ ኽትቀትሉኒ እትደልዩ ዘሎኹም፧ ኢሉ መለሰሎም። 33ኣይሁድ ከኣ፥ ስለቲ ምጽራፍካን ሰብ ክነስኻ ንፍስኻ ኣምላኽ ስለ ምግባርካን እምበር፡ ስለቲ ጽቡቕ ግብርታትካስ ኣይኰንናን ብእምኒ እንቐትለካ፡ ኢሎም መለስሉ። 34የሱስ መለሰሎም፥ ኣብ ሕግኹም፥ ኣነ፥ ኣማልኽቲ ኢኹም፡ በልኩ፡ ዝብልዶ ኣይተጻሕፈን እዩ፧ 35ነቶም ቃል ኣምላኽ ዝመጸሎም ኣማልኽቲ ኻብ ዝብሎም፡ — ጽሑፍ ክፈርስ ኣይከኣልን እዩ፡ — 36ነቲ ኣቦ ዝቐደሶ ናብ ዓለምውን ዝለኣኾ ግዳ፡ ወዲ ኣምላኽ እየ ስለ ዝበልኩኹም፡ ከመይ ኢልኩም፥ ትጻረፍ ኣሎኻ፡ ትብሉኒ ኣሎኹም፧ 37ግብሪ ኣቦይ እንተ ዘይገበርኩ፡ ኣይትእመኑኒ። 38እንተ ገበርኩ ግና፡ ኣቦ ኣባይ ምህላዉ፡ ኣነውን ኣብ ኣቦ ምህላወይ ምእንቲ ኽትፈልጡን ከተስተብህሉንሲ፡ ንኣይ እኳ እንተ ዘይኣመንኩምኒ፡ ነቲ ግብረይ እመንዎ። 39መሊሶም ድማ ክሕዝዎ ደለዩ፡ ንሱ ግና ካብ ኣእዳዎም ሞለቘ።
40ከም ብሓድሽ ናብታ ዮሃንስ ቀደም የጥምቐላ ዝነበረ ስፍራ ናብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ከደ፡ ኣብኣውን ተቐመጠ። 41ብዙሓት ድማ ናብኡ መጺኦም፥ ዮሃንስ ሓንቲ ተኣምራት እኳ ኣይገበረን፥ እቲ ዮሃንስ ብዛዕባኡ እተዛረቦ ዘበለ ዅሉ ግና ሓቂ ዀነ፡ በሉ። 42ኣብኡውን ብዙሓት ብእኡ ኣመኑ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ወን.ዮሃንስ ምዕራፍ 11
1ኣብ ቢታንያ፡ ኣብታ ዓዲ ማርያምን ማርታ ሓብታን፡ ኣልኣዛር ዝስሙ ሕሙም ሰብኣይ ነበረ። 2ማርያም እታ ንጐይታ ቕዱይ ቅብኢ ዝለኸየቶ፡ ብጸጕሪ ርእሳውን ኣእጋሩ ዝደረዘቶ እያ፡ እቲ ሕሙምውን ኣልኣዛር ሓዋ እዩ። 3ስለዚ እተን ኣሓቱ፥ ጐይታይ፡ እቲ እተፍቅሮስ እንሆ፡ ሓሚሙ ኣሎ፡ ኢለን ናብ የሱስ ለኣኻ። 4የሱስ እዚ ሰምዐ፥ እዚ ሕማም እዚ ወዲ ኣምላኽ ብእኡ ምእንቲ ክኸብር፡ ንኽብሪ ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ንሞት ኣይኰነን፡ በለ። 5የሱስ ንማርታን ንሓብታን ንኣልኣዛርን የፍቕሮም ነበረ። 6ምሕማሙ ምስ ሰምዐ፡ ኣብታ ዘለዋ ስፍራ ኽልተ መዓልቲ ወዓለ። 7ድሕርዚ ንደቀ መዛሙርቱ፥ ደጊም ንዑናይ፡ ናብ ምድሪ ይሁዳ ንኺድ፡ በሎም። 8ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ፥ መምህር፡ ብኣምሆ ኣይሁድ ብዳርባ እምኒ ክቐትሉኻ ይደልዩ ነይሮምሲ፡ መሊስካዶ ናብኡ ትኸይድ፧ በልዎ። 9የሱስ ከኣ፥ መዓልትስ ዓሰርተው ክልተ ሰዓት ደይኰነትን፧ እቲ ብመዓልቲ ዝኸይድ፡ ብርሃን እዛ ዓለም እዚኣ ዝርኢ ስለ ዝዀነ፡ ኣይዕንቀፍን። 10እቲ ብለይቲ ዝኸይድ ግና፡ ብርሃን ስለ ዘይብሉ፡ ይዕንቀፍ እዩ፡ ኢሉ መለሰ። 11እዚ ተዛረበ፡ ድሕርዚ ድማ፥ ኣልኣዛር ፈታዊና ደቂሱ ኣሎ። ኣነ ግና ካብ ድቃሱ ምእንቲ ኸተንስኦ፡ ክኸይድ እየ፡ በሎም። 12ሽዑ ደቀ መዛሙርቱ፥ ጐይታይ፡ ደቂሱ እንተ ዀይኑስ፡ ክጥዒ እዩ፡ በልዎ። 13የሱስ ብዛዕባ ሞቱ እዩ እተዛረበ፡ ንኣታቶም ግና ብዛዕባ ናይ ትኽስ ድቃስ እተዛረበ መሰሎም። 14ሽዑ የሱስ ብግህዶ፥ ኣልኣዛር ሞይቱ፡ 15ኣነ ኣብኡ ብዘይ ምንባረይ፡ ምእንቲ ኽትኣምኑስ፡ ብዛዕባኹም እሕጐስ ኣሎኹ። ግናኸ ንዑናይ፡ ናብኡ ንኺድ፡ በሎም። 16ስለዚ እቲ ዲዲሞስ ዝብልዎ ቶማስ ነቶም ብጾቱ ደቀ መዛሙርቲ፥ ንሕናውንከ ምስኡ ኽንመውት ንኺድ፡ በሎም። 17ሽዑ የሱስ ምስ መጸ፡ ኣብ መቓብር ኣርባዕተ መዓልቲ ገይሩ ረኸቦ። 18ምቕራብ ቢታንያ ንየሩሳሌም ኣስታት ዓሰርተው ሓሙሽተ እስታድዮስ ኣቢሉ እዩ። 19ካብ ኣይሁድ ድማ ብዙሓት ብዛዕባ ሓወን ከጸናንዕወን፡ ናብ ማርያምን ማርታን መጺኦም ነበሩ። 20ማርታ ምምጽእ የሱስ ሰሚዓ፡ ክትቅበሎ ወጸት። ማርያም ግና ኣብ ቤት ተቐሚጣ ነበረት። 21ሽዑ ማርታ ንየሱስ፡ ጐይታይ፡ ኣብዚ እንተ ትነብርሲ ግዲ፡ ሓወይ ኣይምሞተን ነይሩ፧ 22ግናኸ ሕጂውን ካብ ኣምላኽ ዝለመንካዮ ዘበለ ኣምላኽ ከም ዝህበካ፡ እፈልጥ ኣሎኹ፡ በለቶ። 23የሱስ ድማ፡ ሓውኪ ኽትንስእ እዩ፡ በላ። 24ማርታ ድማ፥ በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ብትንሳኤ ኸም ዝትንስእሲ፡ እፈልጥ ኣሎኹ፡ በለቶ። 25የሱስ ከኣ፡ ትንሳኤን ህይወትን ኣነ እየ። እቲ ብኣይ ዝኣምን እንተ ሞተ እኳ፡ ብህይወት ክነብር እዩ። 26ነፍሲ ወከፍ ብህይወት ዘሎ እሞ ብኣይ ዝኣምን ከኣ ንዘለኣለም ኣይክመውትን እዩ። እዚዶ ትኣምኒ ኢኺ፧ በላ። 27ንሳ፡ እወ ጐይታይ፡ ንስኻ እቲ ናብ ዓለም ዝመጽእ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ ምዃንካ ኣሚነ ኣሎኹ፡ በለቶ። 28እዚ ኢላ ኸደት፡ ንማርያም ሓብታ ድማ ሰላሕ ኢላ፡ መምህር መጺኡ ይጽውዓኪውን ኣሎ፡ ኢላ ጸውዓታ። 29ንሳ እዚ ምስ ሰምዐት፡ ቀልጢፋ ተንስአት፡ ናብኡውን ከደት። 30የሱስ ኣብታ እተቐበለቶ ስፋር ጸንሐ እምበር፡ ናብ ዓዲ ኣይኣተወን ነበረ። 31እቶም ከጸናንዕዋ ምስኣ ኣብ ቤት ዘለዉ ኣይሁድ ግና፡ ማርያም ቀልጢፋ ብድድ ምባላን ምውጽኣን ርእዮም፡ ናብ መቓብር ከይዳ ኣብኡ ኽትበኪ እያ፡ ኢሎም ሰዓብዋ። 32ማርያም ናብታ የሱስ ዘለዋ ስፋራ መጺኣ ምስ ረኣየቶ፡ ኣብ እግሩ ተደፊኣ፡ ጐይታይ፡ ኣብዚ እንተ ትነብርሲ ግዲ፡ ሓወይ ኣይምሞተን ነይሩ፡ በለቶ። 33ሽዑ የሱስ፡ ንሳ ኽትበኪ ኸላ፡ እቶም ምስኣ ዝመጹ ኣይሁድውን ክበኽዩ ኸለዉ ርእዩ፡ ብመንፈሱ ተኪዙ እናሕነቕነቐ፡ 34ኣበይ ኣንቢርኩምዎ፧ በለ። ንሳቶም፡ ጐይታይ፡ ንዓ እሞ ርአ፡ በልዎ። 35የሱስ ነብዐ። 36ስለዚ ኣይሁድ፡ እስኪ ርኣዩ፡ ክንደይ የፍቅሮ ነይሩ፡ በሉ። 37ገሊኦም ግና፡ እዚ ኣዒንቲ እቲ ዕዉር ዝኸፈተስ፡ ነዚውን ከም ዘይመውት ክገብሮ ደዀን ኣይምኸኣለን፧ በሉ። 38ሽዑ የሱስ ከም ብሓድሽ ብልቡ ተከዘ፡ ናብቲ መቓብርውን መጸ፡— እዚ ግና ብእምኒ እተዓጸወ በዓቲ እዩ፡— 39የሱስ፥ ነዚ እምኒ ኣልዕልዎ፡ በሎም። ማርታ ሓብቲ እቲ ምዉት ከኣ፥ ጐይታይ፡ ራብዕቲ ገይሩ እዩ እሞ፡ ፈጺሙ ጨንዩ እዩ፡ በለቶ። 40የሱስ፡ እንተ ትኣምንስ፡ ክብሪ ኣምላኽ ምርአኺዶ ኣይበልኩኽን፧ በላ። 41ድሕርዚ ነቲ እምኒ ኣልዓልዎ። የሱስ ከኣ ኣዒንቱ ንላዕሊ ቋሕ ኣቢሉ፡ ኣቦ፡ ስለ ዝሰማዕካኒ አመስግነካ ኣሎኹ። 42እዞም ደው ኢሎም ዘለዉ ህዝቢ ንስኻ ኸም ዝለኣኽካኒ ምእንቲ ኽኣምኑ ደኣ እየ እዚ ዝበልኩ እምበር፡ ኣነስ ኵሉ ሳዕ ከም እትሰምዓኒ፡ እፈልጥ ኣሎኹ፡ በለ። 43እዚ ምስ በለ፥ ኣልኣዛር ንዓ፡ ናብ ወጻኢ ውጻእ፡ ኢሉ ብዓብዪ ድምጺ ጨደረ። 44እቲ ምዉት ብግኑዙ፡ ኣእዳዉን ኣእጋሩን ብእስሩ ገጹውን ብመኣረምያ ተጐንጕኑ ኸሎ ወጸ። የሱስ ድማ፡ ፍትሕዎ እሞ ይኺድ ሕደግዎ፡ በሎም። 45ሽዑ ኻብ ኣይሁድ ብዙሓት ናብ ማርያም ዝመጹ፡ ነቲ ንሱ ዝገበሮ ርእዮም ብእኡ ኣመኑ። 46ገሊኦም ግና ናብ ፈሪሳውያን ከይዶም፡ እቲ የሱስ ዝገበሮ ነገርዎም። 47እቶም ሊቃውንቲ ኻህናትን ፈሪሳውያንን ከኣ ዋዕላ ኣኪቦም፡ እዚ ሰብኣይዚ ብዙሕ ተኣምራት ይገብር ኣሎ እሞ፡ እንታይ ንግበር፧ 48ከምዚ እንተ ሓደግናዮ፡ ኵሉ ብእኡ ኽኣምን እዩ። ሮማውያን ድማ መጺኦም ምድርናን ህዝብናን ክወስዱ እዮም፡ በሉ። 49ሓደ ኻባታቶም ቀያፋ ዝስሙ በታ ዓመት እቲኣ ሊቀ ኻህናት ዝነበረ፡ ንስኻትኩም ገለ እኳ ኣይትፈልጡን ኢኹም፡ 50ኵሉ ህዝቢ ኻብ ዝጠፍእ፡ ሓደ ሰብኣይ በጃ ህዝቢ እንተ ሞተ ኸም ዝሕሸና፡ ከቶ ኣይትሐስቡን ኢኹም፡ በሎም። 51በታ ዓመት እቲኣ ሊቀ ኻህናት ነበረ እሞ፡ የሱስ በጃ ህዝቢ ኽመውት ከም ዘለዎ ተነብዩ እዩ እምበር፡ እዚ ዝበለስ ካብ ልቡ ኣይኰነን። 52ነቶም ፋሕ ዝበሉ ደቂ ኣምላኽውን ናብ ሓደ ኽእክቦም እዩ እምበር፡ በጃ ህዝቢ ጥራይ ክመውት ኣይኰነን። 53ካብታ መዓልቲ እቲኣ ጀሚሮም ክቐትልዎ ተማኸሩ። 54ድሕርዚ የሱስ ጥቓ በረኻ ናብ ዘላ ምድሪ፡ ኤፍሬም ናብ እትብሃል ከተማ ኸደ እምበር፡ ኣብ ማእከል ኣይሁድ ብግልጺ ኣይተመላለሰን። ምስ ደቀ መዛሙርቱውን ኣብኣ ተቐመጠ። 55ፋስጋ ኣይሁድ ድማ ቀሪቡ ነበረ። ብዙሓት ሰብ ከኣ ቅድሚ በዓል ፋስጋ ርእሶም ከንጽሁ፡ ካብታ ምድሪ ናብ የሩሳሌም ደየቡ። 56ሽዑ ኣይሁድ ንየሱስ ይደልይዎ ነበሩ። ኣብ ቤት መቕደስ ደው ኢሎምውን ንሓድሕዶም፥ እንታይ ይመስለኩም፧ ናብዚ በዓል ደዀን ኣይመጽእን እዩ፧ ተባሃሃሉ። 57እቶም ሊቃውንቲ ኻህናትን ፈሪሳውያንን ከኣ፡ ምእንቲ ኽሕዝዎ፡ ነታ ንሱ ዘለዋ ስፍራ ዝፈለጠ እንተሎ፡ ክሕብረሎም ኣዘዙ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ወን.ዮሃንስ ምዕራፍ 12
1ሽዑ የሱስ ሹድሽተ መዓልቲ ቕድሚ ፋስጋ ናብታ ንሱ ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ ኣልኣዛር ዘለዋ፡ ናብ ቢታንያ መጸ። 2ኣብኣ ኸኣ ድራር ገበሩሉ። ማርታውን ተገልግል ነበረት። ካብቶም መቓምጡ ሓደ ኸኣ ኣልኣዛር እዩ። 3ማርያም ድማ ሓደ ነጥሪ ብዙሕ ዝዋጋኡ ቕዱይ ቅብኢ ጽሩይ ናርዶስ ወሲዳ፡ ብእኡ ገይራ ኣእጋር የሱስ ለኸየት፡ ብጸጕሪ ርእሳውን ደረዘቶ። እታ ቤት ከኣ ብመኣዛ እቲ ቕዱይ ቅብኢ መልአት። 4ካብቶም ደቀ መዛሙርቱ ሓደ፡ እቲ ኸትሕዞ ዘለዎ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ወዲ ስምኦን ግና፥ 5እዚ ቕዱይ ቅብኢ እዚ ኸመይ ግዳ ንሰለስተ ሚእቲ ድሪም ተሸይጡስ ንድኻታት ዘይውሃብ፡ በለ። 6እዚ ዝበለ፡ ሰራቒ ስለ ዝዀነ እዩ እምበር፡ ንድኻታት ሓልዩሎም ኣይኰነን። ማሕፉዳ ምስኡ ነበረ፡ ካብቲ ኣብኡ ዝኣተወውን የልዕል ነበረ። 7-8ስለዚ የሱስ፥ ድኻታትሲ ዅሉ ሳዕ ምሳኻትኩም ኣለዉ፡ ንኣይ ግና ኵሉ ሳዕ ኣይትረኽቡንን ኢኹም እሞ፡ ንመዓልቲ ቐብረይ ሓልያቶ እያ፡ ሕደጋ፡ በለ። 9ድሕርዚ ኻብ ኣይሁድ ብዙሓት ሰብ፡ የሱስ ኣብኡ ምህላዉ ፈሊጦም መጹ። ነቲ ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ ኣልኣዛርውን ክርእዩ እምበር፡ ምእንቲ የሱስ ጥራይ ኢሎም ኣይኰኑን ዝመጹ። 10-11ብዙሓት ኣይሁድ ብምኽንያት ኣልኣዛር እናኸዱ ብየሱስ ይኣምኑ ነበሩ እሞ፡ ሊቃውንቲ ኻህናት ንኣልኣዛር ድማ ክቐትልዎ ተማኸሩ። 12ንጽብሒቱ እቲ ንበዓል ዝመጸ ብዙሕ ህዝቢ፡ የሱስ ናብ የሩሳሌም ከም ዝመጽእ ሰሚዑ፡ 13ጨናፍር ኦም ስየ ኣልዒሎም ክቕበልዎ ወጹ። እናጨደሩ ኸኣ፡ ሆሳእና፡ ብስም እግዚኣብሄር ዝመጽእ ንጉስ እስራኤል ብሩኽ እዩ፡ በሉ። 14-15ከምቲ፥ ኣቲ ጓል ጽዮን፡ ኣይትፍርሂ፡ እንሆ፡ ንጉስኪ ኣብ ጻዕብ ኣድጊ ተወጢሑ ይመጽእ ኣሎ፡ ኢሉ እተጻሕፈ፡ የሱስ ከኣ ጻዕብ ኣድጊ ረኺቡ ተወጥሖ። 16ደቀ መዛሙርቱ ነዚ ነገርዚ ቕድም ኣየስተውዓልዎን። የሱስ ምስ ከበረ ግና፡ ሽዑ እዚ ነገርዚ ብዛዕባኡ ኸም እተጻሕፈ፡ ንሳቶምውን እዚ ኸም ዝገበሩሉ ዘከሩ። 17እቶም ንኣልኣዛር ካብ መቓብር ጸዊዑ ኻብ ምዉታት ከተንስኦ ኸሎ ምስኡ ዝነበሩ ህዝቢ ኸኣ ይምስክሩሉ ነበሩ። 18ስለዚ እቶም ህዝቢ እዚ ተኣምራትዚ ምግባሩ ሰሚዖም፡ ክቕበልዎ ወጹ። 19ሽዑ ፈሪሳውያን ንሓድሕዶም፥ ሓንቲ እኳ ኸም ዘይተስልጡ ትርእዩ ኣሎኹም፡ እንሆ፡ ብዓለሙ ደድሕሪኡ ይስዕብ ኣሎ፡ ተባሃሃሉ። 20ካብቶም በቲ በዓል ክሰግዱ ዝደየቡ ኸኣ ሓያሎ ጽርኣውያን ነበሩ። 21ንሳቶም ናብ ፊልጶስ፡ በዓል ቤተሳይዳ ናይ ገሊላ፡ መጺኦም፡ ጐይታይ፡ ንየሱስ ክንርእዮ ንደሊ ኣሎና፡ ኢሎም ለመንዎ። 22ፊልጶስ ከኣ ከይዱ ንእንድርያስ ነገሮ። እንድርያስን ፊልጶስን ድማ ከይዶም ንየሱስ ነገርዎ። 23የሱስ ድማ መሊሱ በሎም፡ ወዲ ሰብ ክኸብር፡ ግዜኡ በጺሓ እያ። 24ፍረ ስርናይ ናብ ምድሪ እንተ ዘይወደቐትን ዘይሞተትን፡ በይና እያ እትነብር። እንተ ሞተት ግና፡ ብዙሕ ፍረ ኸም እትፈሪ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 25ንህይወቱ ዝፈትዋ ኸጥፍኣ እዩ። እቲ ንህይወቱ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዝጸልኣ ግና ንዘለኣለም ህይወት ክሕልዋ እዩ። 26ዘገልግለኒ እንተሎስ፡ ንኣይ ይስዓበኒ። እቲ ዘገልግለኒ ድማ ኣብቲ ኣነ ዘሎኽዎ ኣብኡ ክኸውን እዩ። ዘገልግለኒ እንተሎ፡ ንእኡውን ኣቦይ ከኽብሮ እዩ። 27ሕጅስ ነፍሰይ ጕህያ ኣላ፡ እንታይ እሞ ኽብል እየ፧ ኣቦ፡ ካብዛ ሰዓት እዚኣ ኣድሕነኒ። ግናኸ ምእንቲዚ ናብዛ ሰዓት እዚኣ መጻእኩ 28ኣቦ፡ ንስምካ ኣኽብሮ። ሽዑ ኻብ ሰማይ፡ ኣነ ኣኽቢረዮ ኣሎኹ፡ ከም ብሓድሽውን ከኽብሮ እየ፡ ዝብል ድምጺ መጸ። 29ሽዑ እቶም ደው ኢሎም ዘለዉ ህዝቢ እዚ ሰሚዖም፥ ነጕዲ እዩ፡ በሉ። ገሊኦም፥ መልኣኽ እባ ደኣ ተዛረቦ፡ በሉ። 30የሱስ መሊሱ በሎም፥ እዚ ድምጺ እዚ ምእንታኻትኩም እዩ ዝመጸ እምበር፡ ምእንታይ ኣይኰነን። 31ፍርዲ እዛ ዓለም እዚኣ ሕጂ በጽሐ። ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ ሕጂ ንወጻኢ ኽድርበ እዩ። 32ኣነውን ካብ ምድሪ ልዕል ምስ በልኩ፡ ንዅሉ ናባይ ክስሕቦ እየ። 33ብኸመይ ዝመሰለ ኣማውታ ኸም ዝመውት፡ ከመልክተሎም እዩ እዚ ዝበለ። 34ስለዚ እቶም ህዝቢ፥ ንሕናስ፡ ክርስቶስ ንዘለኣለም ከም ዝነብር ደኣ፡ ካብ ሕጊ ሰማዕና። ንስኻ ግና ከመይ ኢልካ ኢኻ፥ ወዲ ሰብ ልዕል ክብል ይግብኦ እዩ፡ እትብል ዘሎኻ፧ እቲ ወዲ ሰብ እቲኸ እንታዋይ እዩ፧ ኢሎም መለስሉ። 35ሽዑ የሱስ፥ ገና ንቕሩብ መዓልቲ ብርሃን ኣብ ማእከልኩም ኣሎ፡ ጸልማት ከየርከበኩም፡ ብርሃን ከሎኩም ተመላለሱ። እቲ ብጸልማት ዝመላለስ ናብ ዝኸዶ ኣይፈልጥን እዩ። 36ደቂ ብርሃን ምእንቲ ኽትኰኑስ፡ ብርሃን ከሎኩም፡ ብብርሃን እመኑ፡ በሎም። የሱስ እዚ ተዛሪቡ ኻባታቶም ከይዱ ተሓብአ። 37-38እዚ ኽንድዚ ዝኣክል ተኣምራት እኳ ኣብ ቅድሚኦም እናገበረ ኽነሱ፡ እቲ ነብዪ ኢሳይያስ፥ ጐይታይ፡ ንምስክርናኸ መን ኣመኖ፡ ቅልጽም እግዚኣብሄርሲ ንመን ተጋህደ፡ ዝበሎ ቓል ምእንቲ ኽፍጸም፡ ብእኡ ኣይኣመኑን። 39-40ድማ ኢሳይያስ ከም ብሓድሽ፥ በዒንቶም ከይርእዩ ብልቦምውን ከየስተውዕሉ፡ ከይምለሱን ኣነ ኸኣ ከይምሕሮምሲ፡ ኣዒንቶም ኣዖረ ልቦምውን ኣትረረ፡ ኢሉ እዩ እሞ፡ ስለዚ ምእማን ሰኣኑ። 41ኢሳይያስ ክብረት ርእዩ ብዛዕባኡ ምስ ተዛረበ፡ እዚ በለ። 42-43ምስናይዚ ግና ብዙሓት ካብ መኳንንቲ ብእኡ ኣመኑ። ግናኸ ካብ ናይ ኣምላኽ ክብርስ ናይ ሰብ ክብሪ ኣብሊጾም ስለ ዝፈተዉ፡ ካብ ቤት ጸሎት ምእንቲ ኸይሰጕዎም፡ ብሰሪ ፈሪሳውያን ኣየግሃዱን። 44የሱስ ግና ጨደረ በለውን፥ ብኣይ ዝኣምን በቲ ዝለኣኸኒ እዩ እምበር፡ ብኣይ ኣይኰነን ዝኣምን። 45ንኣይ ዝርኢ ነቲ ዝለኣኸኒውን ይርእዮ። 46እቲ ብኣይ ዝኣምን ዘበለ ኣብ ጸልማት ምእንቲ ኸይነብር፡ ኣነ ብርሃን ኰይነ ናብ ዓለም መጺአ ኣሎኹ። 47ኣነ ንዓለም ከድሕን ደኣ እምበር፡ ንዓለም ክፈርድ ኣይመጻእኩን እሞ፡ ንቓለይ ሰሚዑ ዘይሕልዎ እንተሎ፡ ኣነ ኣይኰንኩን ዝፈርዶ። 48-50ኣነስ፡ እቲ ዝለኣኸኒ ኣቦ ደኣ እንታይ ከም ዝብልን ዝዛረብን ትእዛዝ ሂቡኒ እምበር፡ ካብ ርእሰይ ኣይዛረብን እየ እሞ፡ እታ ትእዛዙ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምዃና እፈልጥ ኣሎኹ። እምብኣርሲ እቲ ኣነ ዝዛረቦ፡ ከምቲ ኣቦ ዝነገረኒ ኸምኡ እየ ዝዛረብ ዘሎኹ። ነቲ ዝንዕቀንን ንዘረባይ ዘይቅበሎን ከኣ ዝፈርዶ ኣሎ። እዚ ኣነ ዝዛረቦ ዘሎኹ ቓል፡ ንሱ በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኽፈርዶ እዩ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ወን.ዮሃንስ ምዕራፍ 13
1የሱስ፡ ቅድሚ በዓል ፋስጋ ኻብዛ ዓለም እዚኣ ናብ ኣቦኡ ዝኸደላ ግዜኡ ኸም ዝበጽሐት ፈሊጡ፡ ነቶም ዘፍቀሮም ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘለዉ ናቱ ኽሳዕ መወዳእታ ኣፍቀሮም። 2ክድረሩ ኸለዉ ኸኣ፡ ድያብሎስ ናብ ልቢ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ወዲ ስምኦን ከትሕዞ ቕድም ሓሳብ ኣእትዩ ነበረ። 3የሱስ ከኣ ኣቦኡ ንዅሉ ኣብ ኢዱ ኸም ዝሃቦ፡ ካብ ኣምላኽ ድማ ከም ዝመጸ ናብ ኣምላኽውን ከም ዝኸይድ ፈሊጡ፡ 4ካብ ድራር ተንሲኡ ኽዳውንቱ ኣንበረ፡ ዓለባ ኣልዒሉውን ተዓጥቀ። 5ደሓር ማይ ኣብ ገበራ ኣዕሪቑ፡ ኣእጋር ደቀ መዛሙርቱ ኽሓጽብን በቲ እተዓጥቆ ዓለባ ገይሩ ኽደርዝን ጀመረ። 6ሽዑ ናብ ስምኦን ጴጥሮስ መጸ፡ ንሱ ኸኣ፡ ጐይታይ፡ ንስኻዶ ኣእጋረይ ክትሓጽበኒ ኢኻ፧ በሎ። 7የሱስ መሊሱ፡ ነቲ ኣነ ዝገብሮ ንስኻ ሕጂ ኣይትፈልጦን፡ ድሕርዚ ግና ክትፈልጦ ኢኻ፡ በሎ። 8ጴጥሮስ ከኣ፡ ንዘለኣለም ኣእጋረይ ኣይትሓጽበንን ኢኻ፡ በሎ። የሱስ ከኣ፡ ኣነ እንተ ዘይሓጸብኩኻስ፡ ምሳይ ግደ የብልካን፡ ኢሉ መለሰሉ። 9ስምኦን ጴጥሮስ ድማ፡ ጐይታይ፡ ኣእዳወይን ርእሰይን ድማ እምበር፡ ኣእጋረይ ጥራይ ኣይኰነን፡ በሎ። 10የሱስ ከኣ፡ እቲ እተሐጽበ፡ ኵለንትናኡ ንጹህ እዩ እሞ፡ ብጀካ ኣእጋሩ ምሕጻብ ኣየድልዮን እዩ። ንስኻትኩም ከኣ ንጹሃት ኢኹም፡ ግናኸ ኵላትኩም ኣይኰንኩምን፡ በለ። 11ነቲ ዘትሕዞ ይፈልጦ ነበረ እሞ፡ ስለዚ እዩ፡ ኵላትኩም ንጹሃት ኣይኰንኩምን፡ ዝበለ። 12ከምዚ ገይሩ ኣእጋሮም ምስ ሓጸቦም፡ ክዳውንቱ ተኸዲኑ፡ ከም ብሓድሽ ተቐሚጡ፡ እዚ ዝገበርኩልኩምሲ ትፈልጥዎዶ ኣሎኹም፧ በሎም። 13ንስኻትኩም መምህርን ጐይታን ትብሉኒ ኣሎኹም፡ ኣነ ኸምኡ እየ እሞ፡ ጽቡቕ በልኩም። 14-15ኣነ መምህርን ጐይታን ክነሰይ፡ ኣእጋርኩም ካብ ሓጸብኩስ፡ ከምቲ ኣነ ኣባኻትኩም ዝገበርክዎ፡ ንስኻትኩምውን ከምኡ ኽትገብሩ መርኣዪ ሂበኩም ኣሎኹ እሞ፡ ከምኡ ኣእጋር ሓድሕድኩም ክትሓጽቡ ይግብኣኩም እዩ። 16ባርያ ኻብ ጐይታኡ ኣይበልጽን፡ ልኡኽውን ካብ ለኣኺኡ ኣይበልጽን እዩ፡ ኢለ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 17ነዚ እትፈልጥዎ እንተ ዄንኩም፡ እንተ ገበርኩምዎስ ብጹኣን ኢኹም። 18ኣነ ነቶም ዝሓረኽዎም እፈልጦም እየ፡ ብዛዕባ ዅላትኩም ኣይኰንኩን ዝዛረብ ዘሎኹ። ግናኸ እቲ ጽሑፍ ምእንቲ ኽፍጸምሲ፥ እቲ እንጌራይ ዝበልዕ፡ ሸኾናኡ ኣባይ ኣልዓለ። 19ምስ ኰነ ኣነ ምዃነይ ምእንቲ ኽትኣምኑ ኸኣ፡ ከይኰነ ሕጂ እነግረኩም ኣሎኹ። 20ነቲ ዝለኣኽክዎ ዚቕበል ንኣይ ይቕበል። እቲ ንኣይ ዝቕበል ድማ ነቲ ዝለኣኸኒ እዩ ዝቕበል፡ ኢለ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 21የሱስ እዚ ምስ በለ፡ ብመንፈሱ ጕህዩ፥ ካባኻትኩም ሓደ ኸም ዘትሕዘኒ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ ኢሉ መስከረ። 22እቶም ደቀ መዛሙርቲ ብዛዕባ መን ከም እተዛረበ ጠፊእዎም፡ ንሓድሕዶም ተጣማመቱ። 23ካብ ደቀ መዛሙርቱ ሓደ፡ እቲ የሱስ ዘፍቅሮ ዝነበረ፡ ኣብ ኣፍ ልቢ የሱስ ተጸጊዑ ኣብ መኣዲ ነበረ። 24ንእኡ ስምኦን ጴጥሮስ፡ ብዛዕባ መን ይዛረብ ከም ዘሎ፡ ክሓቶ ኣመልከቶ። 25እቲ ኣብ ኣፍ ልቢ የሱስ ተጐዝጕዙ ዘሎ ኸኣ፥ ጐይታይ፡ መን እዩ ንሱ፧ በሎ። 26የሱስ ከኣ፥ እቲ ኣነ ቝራስ እንጌራ ጸቢሐ ዝህቦ፡ ንሱ እዩ፡ ኢሉ መለሰ። ሽዑ ኸኣ ቍራስ እንጌራ ጸቢሑ ንይሁዳ፡ ወዲ ስምኦን ኣስቆሮታዊ፡ ሃቦ። 27ድሕሪ እታ ቝራስ እንጌራ ኸኣ ሰይጣን ናብኡ ኣተወ። ሽዑ የሱስ፡ ነቲ እትገብሮ ቐልጢፍካ ግበሮ፡ በሎ። 28ካብቶም ኣብ መኣዲ ተቐሚጦም ዘለዉ ግና ብዛዕባ እንታይ ከም ዝበሎ፡ ሓደ እኳ ዝፈለጠ ኣይነበረን። 29ንሓያሎ ግና፡ ማሕፉዳ ኣብ ይሁዳ ነበረ እሞ፡ የሱስ፥ ንበዓል እንደልዮ ዓድግ ወይስ ገለ ንድኻታት ሃብ፡ ዝበሎ መሲልዎም ነበረ። 30ንሱ ግና ነታ ቝራስ እንጌራ ምስ ተቐበለ፡ ብኡብኡ ወጸ፡ ለይቲውን ነበረ። 31ንሱ ምስ ወጸ፡ ሽዑ የሱስ በለ፥ ሕጂ ወዲ ሰብ ከበረ፡ ኣምላኽውን ኣብኡ ኸበረ። 32ኣምላኽ ኣብኡ ኻብ ከበረ፡ ኣምላኽ ኸኣ ኣብ ርእሱ ከኽብሮ እዩ፡ ቀልጢፉውን ከኽብሮ እዩ። 33ደቀየ፡ ገና ቕሩብ ግዜ ምሳኻትኩም እየ። ክትደልዩኒ ኢኹም፡ ከምቲ ንኣይሁድ፥ ናብቲ ኣነ ዝኸዶ ንስካትኩም ክትመጹ ኣይከኣለኩምን እዩ፡ ዝበልክዎም፡ ንኣኻትኩምውን ሕጂ እብለኩም ኣሎኹ። 34ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም፡ ከምኡ ጌርኩም ከኣ ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ ሓድሽ ትእዛዝ እህበኩም ኣሎኹ። 35ነንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተላትኩም፡ በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኽፈልጥ እዩ። 36ስምኦን ጴጥሮስ ከኣ፡ ጐይታይ፡ ናበይ ክትከይድ ኢኻ፡ በሎ። የሱስ ድማ፥ ናብቲ ኣነ ዝኸዶ ንስኻ ሕጂ ኽትስዕበኒ ኣይከኣለካን እዩ፡ ደሓር ግና ክትስዕበኒ ኢኻ፡ ኢሉ መለሰሉ። 37ጴጥሮስ ከኣ፡ ጐይታይ፡ ሕጂኸ ኽስዕበካ ዘይከኣለኒ እንታይ ኰይነ፡ ህይወተይ እኳ በጃኻ አሕልፋ እየ፡ በሎ። 38የሱስ ከኣ፥ ንህይወትካዶ በጃይ ተሕልፋ፡ ሰለስተ ግዜ ኽሳዕ እትክሕደንስ ደርሆ ኸም ዘይንቁ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለካ ኣሎኹ፡ ኢሉ መለሰሉ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ወን.ዮሃንስ ምዕራፍ 14
1ልብኹም ኣይሸበር። ብኣምላኽ እመኑ ብኣይውን እመኑ። 2ኣብ ቤት ኣቦይ ብዙሕ ማሕደር ኣሎ። እቲ እንተ ዘይህሉስ፡ ምበልኩኹም ነይረ። ስፍራ ኸዳልወልኩም እኸይድ ኣሎኹ፡ 3ከይደ ስፍራ ምስ ኣዳለኹልኩም፡ ኣብቲ ኣነ ዘሎኽዎ ንስኻትኩምውን ኣብኡ ምእንቲ ኽትኰኑስ፡ ተመሊሰ ኽምጽእ እየ እሞ ናባይ ክወስደኩም እየ። 4ኣነ ናበይ ከም ዝኸይድ ትፈልጡ፡ ነቲ መገድውን ትፈልጥዎ ኢኹም። 5ቶማስ ከኣ፡ ጐይታይ፡ ናበይ ከም እትኸይድ ኣይንፈልጥን ኢና፡ ነቲ መገዲኸ ኸመይ ጌርና ኢና እንፈልጦ፡ በሎ። 6የሱስ ከኣ፥ መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ። ብዘይ ብኣይ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዝመጽእ የልቦን። 7ንኣይ እንተ ትፈልጡንስ፡ ነቦይውን ምፈለጥኩምዎ ኔርኩም። ካብ ሕጂ ትፈልጥዎን ርኢኹምዎን ኣሎኹም፡ በሎ። 8ፊልጶስ ከኣ፥ ጐይታይ፡ ነቦ ኣርእየና እሞ ይኣኽለና፡ በሎ። 9የሱስ በሎ፡ ፊልጶስ፡ እዚ ኽንድዚ ዝኣክል ዘመን ምሳኽትኩም ክነብር ከሎኹስ፡ ኣይትፈልጠንን ዲኻ፡ እቲ ንኣይ ዝረኣየ ነቦ ረኣዮ። ከመይ ኢልካኸ፥ ነቦ ኣርእየና፡ ትብል ኣሎኻ፧ 10ኣነ ኣብ ኣቦ ኸም ዘሎኹ፡ ኣቦውን ኣባይ ከም ዘሎዶ ኣይትኣምንን ኢኻ፡ እቲ ኣባይ ዘሎ ኣቦ ባዕሉ እዩ ግብርታቱ ዝገብር ዘሎ እምበር፡ እዚ ንኣኻትኩም ዝነግረኩም ዘሎኹ ዘረባስ ካብ ርእሰይ ኣይኰነኩን ዝዛረቦ ዘሎኹ። 11ኣነ ኣብ ኣቦ ምህላወይ፡ ኣቦውን ኣባይ ምህላዉ እመኑኒ። እንተ ዘይኰነስ፡ ስለቲ ግብርታት እኳ እመኑኒ። 12ኣነ ናብ ኣቦይ እኸይድ ኣሎኹ እሞ፡ እቲ ብኣይ ዝኣምን ነዚ ኣነ ዝገብሮ ዘሎኹ ግብርታት ከም ዝገብር፡ ካብኡ ዝዓብውን ከም ዝገብር፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 13ኣቦ ኣብ ወዲ ምእንቲ ክኸብርሲ፡ ብስመይ ዝለመንኩምዎ ዘበለ ዅሉ ኽገብረልኩም እየ። 14ብስመይ ገለ እንተ ለመንኩም፡ ክገብረልኩም እየ። 15እተፍቅሩኒ እንተ ዄንኩምሲ፡ ትእዛዛተይ ሓልዉ። 16ኣነ ኸኣ ነቦ ኽልምኖ እየ፡ ንሱ ድማ ንዘለኣለም ምሳኻትኩም ዝነብር ካልእ መጸናንዒ ኽህበኩም እዩ፡ 17ነቲ መንፈስ ሓቂ፡ ዓለም ዘይትርእዮን ዘይትፈልጦን ስለ ዝዀነት፡ ክትቅበሎ ኣይኰነላን እዩ። ንስካትኩም ግና፡ ምሳኻትኩም ይሓድር ኣባኻትኩም፡ውን ክነብር እዩ እሞ፡ ትፈልጥዎ ኢኹም። 18ኣነ ዘኽተማት ኴንኩም ኣይሓድገኩምን፡ ናባኻትኩም ክመጽእ እየ። 19ቅሩብ ግዜ ዓለም ደጊም ኣይክትርእየንን እያ፡ ንስኻትኩም ግና ክትርእዩኒ ኢኹም። ኣነ ህያው እየ እሞ፡ ንስኻትኩምውን ህያዋን ክትኰኑ ኢኹም። 20በታ መዓልቲ እቲኣ ኣነ ኣብ ኣቦይ፡ ንስኻትኩም ከኣ ኣባይ፡ ኣነውን ኣባኻትኩም ምህላወይ ክትፈልጡ ኢኹም። 21እቲ ትእዛዛተይ ዘለዎ እሞ ዝሕልዎ፡ ንሱ እዩ ዘፍቅረኒ። ነቲ ዘፍቅረኒ ድማ ኣቦይ የፍቅሮ እዩ፡ ኣነውን አፍቅሮ ርእሰይ ከኣ እገልጸሉ። 22እቲ ዘይ ኣስቆሮታዊ ይሁዳ ድማ፥ ጐይታይ፡ እቲ ርእስኻ፡ ንዓለም ዘይኰነ፡ ንኣና እትገልጸሉስ እንታይ እዩ፧ በሎ። 23የሱስ ከኣ፥ ዘፍቅረኒ እንተሎ፡ ቃለይ ይሕሉ እዩ፡ ኣቦይ ድማ የፍቅሮ፡ ናብኡውን ንመጽእ ኣብኡ ኸኣ ማሕደር ክንገብር ኢና። 24እቲ ዘየፍቅረኒ ግና ንቓለይ ኣይሕልዎን እዩ። እዚ እትሰምዕዎ ዘሎኹም ቃል ከኣ ናይቲ ዝለኣኸኒ ኣቦ እዩ እምበር፡ ናተይ ኣይኰነን፡ ኢሉ መለሰሉ። 25ምሳኻትኩም ከሎኹ፡ እዚ ነገርኩኹም። 26እቲ ኣቦይ ብስመይ ዝሰዶ መጸናንዒ፡ መንፈስ ቅዱስ፡ ንሱ ዅሉ ኽምህረኩም፡ ዝነገርኩኹም ዘበለውን ከዘክረኩም እዩ። 27ሰላም እሓድገልኩም፡ ሰላመይውን እህበኩም ኣሎኹ። እቲ ኣነ ዝህበኩም ዘሎኹስ፡ ከምቲ ዓለም እትህቦ ኣይኰነን። ልብኹም ኣይሸበርን ኣይሰምብድን። 28ኣነ ክኸይድ ናባኻትኩምውን ክምለስ እየ፡ ከም ዝበልኩኹም ሰሚዕኩም ኣሎኹም። ካባይ ኣቦይ ይዓቢ እዩ እሞ፡ እተፍቅሩኒ እንተ ትዀኑስ፡ ናብ ኣቦይ ብምኻደይ ምተሓጐስኩም ኔርኩም። 29ሕጂ ድማ፡ ምስ ኰነ ምእንቲ ኽትኣምኑስ፡ ከይኰነ ነጊረኩም ኣሎኹ። 30ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ ይመጽእ ኣሎ እሞ፡ ኣባይ ሓንቲ እኳ የብሉን። ደጊም ምሳኻትኩም ብዙሕ ኣይዛረብን እየ። 31ግናኸ ኣነ ነቦ ኸም ዘፍቅሮን፡ ከምታ ኣቦ ዝኣዘዘኒውን ከም ዝገብርን፡ ዓለም ምእንቲ ኽትፈልጥሲ፡ ከምዚ ይኸውን ኣሎ። ተንስኡ ኻብዚ ንኺድ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ወን.ዮሃንስ ምዕራፍ 15
1ኣነ ናይ ሓቂ ጕንዲ ወይኒ እየ፡ ተኻሊኡ ኸኣ ኣቦይ እዩ። 2ነቲ ኣባይ ዘሎ፡ ፍረ ዘይፈሪ ዘበለ ዅሉ ጨንፈር የርሕቖ። ነቲ ፍረ ዝፈሪ ዘበለ ጨንፈር ግና፡ ኣዝዩ ምእንቲ ኽፈሪ፡ የጽርዮ። 3ንስኻትኩም ከኣ፡ ሳላ እቲ ዝነገርኩኹም ቃል፡ ድሮ ንጹሃት ኢኹም። 4ኣባይ ጽንዑ ኣነውን ኣባኻትኩም። ጨንፈር ኣብቲ ጕንዲ ወይኒ እንተ ዘይጸንዐ፡ ካብ ርእሱ ክፈሪ ከም ዘይክእል፡ ንስኻትኩምውን ኣባይ እንተ ዘይጸናዕኩም፡ ከምኡ ኢኹም። 5እቲ ጕንዲ ወይኒ ኣነ እየ፡ ጨናፍር ከኣ ንስኻትኩም ኢኹም፡ ብጀካይ ሓንቲ እኳ ኽትገብሩ ኣይትኽእሉን ኢኹም እሞ፡ እቲ ኣባይ ዝጸንዕ ኣነውን ኣብኡ፡ ንሱ እዩ ብዙሕ ፍረ ዝፈሪ። 6ኣባይ ዘይጸንዕ ዘበለ ኸም ጨንፈር ንወጻኢ ተደርብዩ ይነቅጽ፡ ኣኪቦም ናብ ሓዊ ይድርብይዎ እሞ ይነድድ። 7ኣባይ እንተ ጸናዕኩም፡ ቃለይውን ኣባኻትኩም እንተ ሓደረ፡ እትደልይዎ ዘበለ ትልምኑ እሞ ይዀነልኩም። 8ብዙሕ ፍረ እንተ ፈረኹም፡ ኣቦይ በዚ ይኸብር፡ ደቀ መዛሙርተይውን ክትኰኑ ኢኹም። 9ከምቲ ኣቦ ኣፍቂሩኒ ዘሎ፡ ኣነውን ከምኡ ኣፍቂረኩም ኣሎኹ፡ ኣብ ፍቕረይ ጽንዑ። 10ከምቲ ኣነ ትእዛዛት ኣቦይ ዝሓሎኹ፡ ኣብ ፍቕሩውን ጸኒዐ ዘሎኹ፡ ከምኡ ኸኣ ንስኻትኩም ትእዛዛተይ እንተ ሓሎኹም፡ ኣብ ፍቕረይ ክትጸንዑ ኢኹም። 11ሓጐሰይ ኣባኻትኩም ምእንቲ ኽጸንዕ፡ ሓጐስኩምውን ክፍጸምሲ፡ እዚ ነገርኩኹም። 12ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም፡ ነንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ ትእዛዘይ እዚ እዩ። 13ሰብ ንህይወቱ ኣብ ክንዲ ኣዕሩኹ በጃ ኸሕልፍ፡ ካብዚ ዝዓቢ ፍቕሪ የልቦን። 14ንስኻትኩም እዚ ዝኣዘዝኩኹም ዘበለ ዅሉ እንተ ገበርኩም፡ ኣዕሩኸይ ኢኹም። 15እቲ ኻብ ኣቦይ ዝሰማዕክዎ ዘበለ ንኣኻትኩም ስለ ዘፍለጥኩኹም እየ ኣዕሩኸይ ዝበልኩኹም። ባርያስ ጐይታኡ ዝገብሮ ኣይፈልጥን እዩ እሞ፡ ደጊም ባሮት ኣይብለኩምን እየ። 16ኣነ ሓረኹኹም እምበር፡ ንስኻትኩም ኣይሓረኹምንን። ክትከዱን ፍረ ኽትፈርዩን ፍረኹምውን ነባሪ ክኽውን፡ ነቦ ብስመይ ዝለመንኩምዎ ዘበለ ምእንቲ ኽህበኩም፡ ነዚ መደብኩኹም። 17ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ እዚ እእዝዘኩም ኣሎኹ። 18ዓለም እንተ ጸልኣትኩም፡ ንኣይ ቅድሜኹም ከም ዝጸልኣትኒ ፍለጡ። 19ካብ ዓለም እንተ ትዀኑስ፡ ዓለም ነቲ ናታ ዝዀነ ትፈትዎ እያ እሞ፡ ምፈተወትኩም ነይራ። ኣነ ደኣ እየ ኻብ ዓለም ዝሓረኹኹም እምበር፡ ካብ ዓለም ኣይኰንኩምን፡ ስለዚ ዓለም ትጸልኣኩም እያ። 20ነቲ፥ ባርያ ኻብ ጐይታኡ ኣይዓብን እዩ፡ ኢለ ዝነገርኩኹም ቃል ዘክርዎ። ንኣይ ሰጕጎምኒ እንተ ዀይኖም፡ ንኣኻትኩምውን ክሰጉኹም እዮም። ቃለይ ሓልዮም እንተ ዀይኖም ከኣ፡ ቃልኩምውን ክሕልዉ እዮም። 21ግናኸ ነቲ ዝለኣኸኒ ኣይፈልጥዎን እዮም እሞ፡ ስለ ስመይ እዚ ዅሉ ኽገብሩኹም እዮም። 22ኣነ መጺአ እንተ ዘይነግሮም፡ ሓጢኣት ኣይምዀኖምን ነይሩ፡ ሕጂ ግና ንሓጢኣቶም ምክንያት የብሎምን። 23እቲ ንኣይ ዝጸልኣኒ ነቦይውን ይጸልኦ እዩ። 24ካልእ ዘይገብሮ ግብሪ እንተ ዘይገብረሎም፡ ሓጢኣት ኣይምዀኖምን ነይሩ። ሕጂ ግና ርእዮምሲ ንኣይን ነቦይን ጸልኡና። 25እዚ ግና እቲ ኣብ ሕጎም፥ ብዘይ ምኽንያት ጸልኡኒ፡ ጽሑፍ ዘሎ ቓል ምእንቲ ኽፍጸም እዩ ዝዀነ። 26እቲ ኣነ ኻብ ኣቦ ዝሰደልኩም መጸናንዒ፡ ካብ ኣቦ ዝወጽእ መንፈስ ሓቂ ምስ መጸ ግና፡ ንሱ ኽምስክረለይ እዩ። 27ንስኻትኩምውን ካብ መጀመርያ ምሳይ ኔርኩም ኢኹም እሞ፡ ትምስክሩለይ ኢኹም።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ወን.ዮሃንስ ምዕራፍ 16
1ምእንቲ ኸይትዕንቀፉ ኢለ እየ እዚ ዝነገርኩኹም። 2ካብ ቤት ጸሎቶም ከውጽኡኹም እዮም፡ አረ ዝቐተለኩም ዘበለስ ንኣምላኽ ኣገልግሎት የቕርበሉ ኸም ዘሎ ዝመስሎ ግዜ ኽትመጽእ እያ። 3ነቦን ንኣይን ስለ ዘይፈለጡ፡ እዚ ኽገብርኹም እዮም። 4ግዜኦም ምስ በጽሐት፡ ኣነ ኸም ዝበልኩኹም ምእንቲ ኽትዝክርዎ ግና፡ እዚ ነገርኩኹም። ምሳኻትኩም ስለ ዝነበርኩ እየ ካብ መጀመርታ እዚ ዘይነገርኩኹም። 5ሕጂ ግና ናብቲ ዝለኣኸኒ እኸይድ ኣሎኹ። ካባኸትኩም ከኣ ሓደ እኳ፥ ናበይ ኢኻ እትኸይድ፧ ኢሉ ኣይሓተንን። 6እዚ ስለ ዝነገርኩኹም ግና፡ ልብኹም ጓሂ መልአ። 7ግናኸ እንተ ኸድኹ ኸም ዝሕሸኩም፡ ሓቂ እነግረኩም ኣሎኹ። ኣነ እንተ ዘይከድኩስ፡ እቲ መጸናንዒ ናባኻትኩም ኣይመጽእን እዩ እሞ፡ እንተ ኸድኩ ግና፡ ንእኡ ኽሰደልኩም እየ። 8ንሱ ምስ መጸ ኸኣ፡ ንዓለም ብዛዕባ ሓጢኣትን ብዛዕባ ጽድቅን ብዛዕባ ፍርድን ክረትዓ እዩ። 9ብዛዕባ ሓጢኣት፥ ብኣይ ስለ ዘይኣመኑ። 10ብዛዕባ ጽድቂ፥ ናብ ኣቦይ እኸይድ ኣሎኹ እሞ፡ ደጊም ኣይትርእዩንን። 11ብዛዕባ ፍርዲ ኸኣ፥ ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ ስለ እተፈርዶ። 12ዝነግረኩም ብዙሕ ካልእ ዘረባ ገና ኣሎኒ፡ ግናኸ ሕጂ ኽትጾርዎ ኣይትኽእሉን ኢኹም። 13እቲ መንፈስ ሓቂ ምስ መጸ ግና፡ ንሱ ዝሰምዖ ዘበለ እዩ ዝዛረብ እምበር፡ ካብ ርእሱ ኣይዛረብን እዩ እሞ፡ ንሱ ነቲ ዝመጽእ ከፍልጠኩም፡ ናብ ኵሉ ሓቂውን ክመርሓኩም እዩ። 14ንሱ ኻባይ ክወስድን ክነግረኩምን እዩ እሞ፡ ንኣይ ከኽብረኒ እዩ። 15እቲ ናይ ኣቦ ዘበለ ዅሉ ናተይ እዩ። ስለዚ እየ፥ ካባይ ወሲዱ ኽነግረኩም እዩ፡ ዝበልኩ። 16ናብ ኣቦይ እኸይድ ኣሎኹ እሞ፡ ቅሩብ ግዜ ኣይትርእዩንን ኢኹም፡ ከም ብሓድሽ ድማ ቅሩብ ግዜ ኽትርእዩኒ ኢኹም። 17ሽዑ ኻብቶም ደቀ መዛሙርቱ ሓያሎ፥ እዚ፥ ናብ ኣቦይ ክኸይድ እየ እሞ፡ ቅሩብ ግዜ ኣይትርእዩንን ኢኹም፡ ከም ብሓድሽ ድማ ቅሩብ ግዜ ኽትርእዩኒ ኢኹም። ዝብለና ዘሎስ እንታይ እዩ፧ ተበሃሀሉ። 18ስለዚ፥ ነዚ ዝዛረቦ ዘሎ ኣየስተውዓልናዮን፡ ቅሩብ ግዜ ዝብሎ ዘሎስ እንታይ ኰን እዩ፧ በሉ። 19የሱስ ከኣ ኽሓትዎ ኸም ዝደለዩ ፈሊጡ በሎም፥ ቅሩብ ግዜ ኣይትርእዩንን ኢኹም፡ ከም ብሓድሽ ድማ ቅሩብ ግዜ ኽትርእዩኒ ኢኹም፡ ስለ ዝበልኩኹምዶ ንሓድሕድኩም ትማራመሩ ኣሎኹም፧ 20ንስኻትኩም ክትበኽዩን ክትሓዝኑን ኢኹም፡ ዓለም ግና ባህ ክብላ እዩ፡ ንስኻትኩም ክትጕህዩ ኢኹም፡ ግናኸ እቲ ጓሂኹም ናብ ሓጐስ ከም ዝልወጥ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 21ሰበይቲ ኽትወልድ ከላ፡ ግዜኣ ስለ ዝበጽሐ ትጕሂ። ቈልዓ ምስ ወለደት ግና፡ ሰብ ኣብ ዓለም ስለ እተወልደ፡ ተሓጕሳ፡ ነቲ ጻዕራ ኣይትዝክሮን እያ። 22እምብኣርከ ንስኻትኩምውን ሎሚ ጓሂ ኣሎኩም፡ ግናኸ ከም ብሓድሽ ክርእየኩም እየ፡ ልብኹምውን ክሕጐስ እዩ። ሓጐስኩም ድማ ካባኹም ዝወስዶ የልቦን። 23በታ መዓልቲ እቲኣ ሓንቲ እኳ ኣይክትሓቱንን ኢኹም። ነቦ ብስመይ ዝለመንኩምዎ ዘበለ ዅሉ ኸም ዝህበኩም፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 24ክሳዕ ሕጂ ሓንቲ እኳ ብስመይ ኣይለመንኩምዎን። ሓጐስኩም ምሉእ ምእንቲ ክኸውን፡ ለምኑ ኽትረኽቡ ድማ ኢኹም። 25እዚ ብምስላ ነገርኩኹም። ብዛዕባ ኣቦ ንኣኻትኩም ብግሁድ ዝነግረላ እምበር፡ ብምስላ ዘይዛረበላ ግዜ ኽትመጽእ እያ። 26-27በታ መዓልቲ እቲኣ ብስመይ ክትልምኑ ኢኹም፡ ንስኻትኩም ኣነ ኻብ ኣምላኽ ከም ዝወጻእኩ ስለ ዝኣመንኩምን ዘፍቀርኩምንን፡ ኣቦ ባዕሉ የፍቅረኩም ኣሎ እሞ፡ ነቦ ምእንታኹም ኣነ ኸም ዝልምኖ፡ ኣይብለኩምን እየ። 28ካብ ኣቦ ወጺአ ናብ ዓለም መጻእኩ፡ ንዓለም ሓዲገ ድማ ናብ ኣቦ እኸይድ ኣሎኹ። 29እቶም ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ፥ እንሆ፡ ሕጂ ብግሁድ ትዛረብ ኣሎኻ፡ ሓንቲ እኳ ብሕቡእ ኣይተዛረብካን። 30ኵሉ ኸም እትፈልጥ፡ ሓደ እኳ ኽሓተካውን ከም ዘየድልየካ፡ ሕጂ ፈለጥና፡ ስለዚ ኻብ ኣምላኽ ምውጻእካውን ንኣምን ኣሎና፡ በልዎ። 31የሱስ ከኣ፥ ሕጂዶ ኣሚንኩም፧ 32እንሆ፡ ኵላትኩም ነንበይንኹም ነናብ ስፍራኹም እትዝረውላ፡ ንበይነይውን እትሓድጉላ ግዜ ትመጽእ ኣላ፡ ድሮ እኳ መጺኣ። ግናኸ ኣቦይ ምሳይ እዩ እሞ፡ በይነይሲ ኣይኰንኩን። 33ኣባይ ሰላም ምእንቲ ኽትረኽቡ፡ እዚ ነገርኩኹም። ኣብ ዓለም ጸበባ አለኩም። ግናኸ ኣጆኹም፡ ኣነ ንዓለም ስዒረያ እየ፡ ኢሉ መለሰሎም።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ወን.ዮሃንስ ምዕራፍ 17
1-2የሱስ እዚ ተዛሪቡ ኣዒንቱ ናብ ሰማይ ቋሕ ኣቢሉ፡ በለ፥ ዎ ኣቦ፡ ሕጂ እታ ግዜ በጺሓ፡ ነዞም ዝሃብካዮ ዅላቶም ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽህቦምሲ፡ ንወድኻ ኣብ ልዕሊ ስጋ ዘበለ ምልኪ ሂብካዮ ኢኻ እሞ፡ ንሱ ምእንቲ ከኽብረካስ፡ ንወድኻ ኣኽብሮ። 3ኣምላኽ ሓቂ ንስኻ በይንኻ ምዃንካን ነቲ ዝለኣኽካዮ የሱስ ክርስቶስን ክፈልጡ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያ። 4ኣነ ነቲ ኽገብሮ ዝሃብካኒ ግብሪ ፈጺመ፡ ኣብ ምድሪ ኣኽበርኩኻ። 5ዎ ኣቦይ፡ ሕጂ ድማ በቲ ዓለም ከይተፈጥረት ኣባኻ ዝነበረኒ ኽብሪ ኣባኻ ኣኽብረኒ። 6ነዞም ካብ ዓለም ዝሃብካኒ ሰባት ስምካ ገለጽኩሎም። ናትካ ነበሩ፡ ንኣይ ሃብካኒ፡ ቃልካውን ሓለዉ። 7እቲ ዝሃብካኒ ዘበለ ዅሉ ካባኻ ምዃኑ ሕጂ ፈለጡ። 8እቲ ዝሃብካኒ ቓል ሃብክዎም፡ ንሳቶምውን ተቐበልዎ። ኣነ ካባኻ ኸም ዝወጻእኩ ድማ ብሓቂ ፈለጡ፡ ንስኻ ኸም ዝለኣኽካኒውን ኣመኑ። 9ኣነ ምእንትኦም እልምን ኣሎኹ። ናትካ እዮም እሞ፡ ምእንቲ እዞም ዝሃብካኒ እምበር፡ ምእንቲ ዓለምሲ ኣይልምንን እየ። 10ኵሉ ናተይ ናትካ እዩ፡ እቲ ናትካውን ናተይ እዩ፡ ኣነውን ኣባታቶም ከበርኩ። 11ደጊምሲ ኣነ ኣብ ዓለም ኣይነብርን እየ፡ ንሳቶም ግና ኣብ ዓለም ኣለዉ፡ ኣነውን ናባኻ እመጽእ ኣሎኹ። ቅዱስ ኣቦይ፡ ነዞም ዝሃብካኒ፡ ከማና ሓደ ምእንቲ ክዀኑ፡ ብስምካ ሓልዎም። 12ኣነ ምሳታቶም ኣብ ዓለም ከሎኹ፡ ብስምካ ሓሎኽዎም፡ ነዞም ዝሃብካኒ ተኸናኸንክዎም። እቲ ጽሑፍ ምእንቲ ኽፍጸምሲ፡ ብዘይ እቲ ሓደ ወዲ ጥፍኣት ካባታቶም ዝጠፍአ የልቦን። 13ሕጂ ግና ናባኻ እመጽእ ኣሎኹ፡ ሓጐሰይ ኣባታቶም ምእንቲ ኽፍጸም ድማ እዚ ኣብ ዓለም እዛረብ ኣሎኹ። 14ኣነ ቓልካ ሃብክዎም። ከምቲ ኣነ ካብ ዓለም ዘይኰንኩ፡ ንሳቶምውን ካብ ዓለም ኣይኰኑን እሞ፡ ዓለም ጸልኣቶም። 15ካብቲ ኽፉእ ክትሕልዎም እምበር፡ ካብ ዓለም ከተውጽኦም ኣይኰንኩን ዝልምን ዘሎኹ። 16ከምቲ ኣነ ኻብ ዓለም ዘይኰንኩ፡ ንሳቶምውን ካብ ዓለም ኣይኰኑን። 17በቲ ሓቂ ቐድሶም፡ ቃልካ ሓቂ እዩ። 18ከምቲ ንኣይ ናብ ዓለም ዝለእኽካኒ፡ ከምኡውን ኣነ ናብ ዓለም ለኣኽክዎም። 19ንሳቶም ብሓቂ ምእንቲ ክቕደሱስ፡ ኣነ ርእሰይ ስሊኦም እቕድስ ኣሎኹ። 20ስለቶም ብቓሎም ብኣይ ዝኣምኑ ድማ እምበር፡ ስለ እዚኣቶም ጥራይ ኣይኰንኩን ዝልምን ዘሎኹ። 21ዓለም፡ ንስኻ ኸም ዝለኣኽካኒ፡ ምእንቲ ኽትኣምንሲ፡ ዎ ኣቦይ፡ ከምቲ ንስኻ ኣባይ ዘሎኻ ኣነውን ኣባኻ፡ ከምኡ ድማ ንሳቶም ኣባና ሓደ ክዀኑ፡ ኵላቶም ሓደ ምእንቲ ክዀኑ፡ እልምን ኣሎኹ። 22-23ብሓድነት ፍጹማት ክዀኑ፡ ዓለም ድማ ከምቲ ንኣይ ዝለኣኽካንን ዘፍቀርካንን፡ ከምኡ ንኣታቶምውን ከም ዘፍቀርካዮም ምእንቲ ኽትፈልጥሲ፡ ንሕና ሓደ ኸም ዝዀንና፡— ኣነ ኣባታቶም ንስኻውን ኣባይ፡— ሓደ ምእንቲ ክዀኑ፡ ኣነ እቲ ዝሃብካኒ ኽብሪ ሃብክዎም። 24ዎ ኣቦይ፡ ቅድሚ ምስራት ዓለም ኣፍቂርካኒ ኢኻ እሞ፡ እዞም ዝሃብካኒ ነቲ ዝሃብካኒ ኽብረይ ምእንቲ ኽርእዩስ፡ ኣብቲ ኣነ ዘሎኽዎ ንሳቶምውን ኣብኡ ምሳይ ክህልዉ እደሊ ኣሎኹ። 25ጻድቕ ኣቦይ፡ ዓለም ኣይፈለጠትካን፡ ኣነ ግና ፈሊጠካ ኣሎኹ። እዚኣቶምውን ንስኻ ኸም ዝለኣኽካኒ ፈሊጦም ኣለዉ። 26እታ ብእኣ ዘፍቀርካኒ ፍቕሪ ኣባታቶም ምእንቲ ኽትከውን ኣነውን ኣባታቶም፡ ስምካ ኣፍሊጠዮም ኣሎኹ ኸፍልጦምውን እየ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ወን.ዮሃንስ ምዕራፍ 18
1የሱስ እዚ ኢሉ፡ ምስቶም ደቀ መዛሙርቱ ናብ ማዕዶ ርባ ቄድሮን፡ ናብታ ኣታኽልቲ ዘለዋ ቦታ መጸ፡ ምስቶም ደቀ መዛሙርቱውን ናብኣ ኣተወ። 2የሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ዀይኑ ብዙሕ ግዜ ናብኣ ይኸይድ ስለ ዝነበረ፡ እቲ ዘትሕዞ ይሁዳ ድማ ነታ ቦታ እቲኣ ይፈልጣ ነበረ። 3ይሁዳ ነቶም ጭፍራ ሮማውያንን ንገላዉ ሊቃውንቲ ኻህናትን ፈሪሳውያንን ተቐቢሉ፡ ፋናታትን መብራህትታትን ኣጽዋርን ሒዙ ወጸ። 4ሽዑ የሱስ ዝመጾ ዘበለ ፈሊጡ ወጸ እሞ፡ ንመን ትደልዩ ኣሎኹም፡ በሎም። 5ንሳቶም፡ ንየሱስ ናዝሬታዊ፡ ኢሎም መለስሉ። የሱስ ከኣ፡ ኣነ እየ፡ በሎም። እቲ ዘትሕዞ ይሁዳ ድማ ምሳታቶም ደው ኢሉ ነበረ። 6ሽዑ፡ ኣነ እየ፡ ምስ በሎም፡ ኣድሓርሓሩ ናብ ምድሪውን ወደቑ። 7ከም ብሓድሽ ድማ፥ ንመን ትደልዩ ኣሎኹም፡ ኢሉ ሓተቶም። ንሳቶም ከኣ፥ ንየሱስ ናዝሬታዊ፡ በሉ። 8-9እቲ፡ ካብዞም ዝሃብካኒ ሓደ እኳ ኣየጥፋእኩን፡ ዝበሎ ቓል ምእንቲ ኽፍጸም፡ የሱስ፡ ኣነ እየ ኢለኩም፡ ንኣይ ትደልዩ እንተ ኣለኹምሲ፡ ነዚኣቶም ይኺዱ ሕደግዎም፡ ኢሉ መለሰሎም። 10ሽዑ እቲ ሰይፊ ዝነበሮ ስምኦን ጴጥሮስ፡ ሰይፉ መሊሑ፡ ንባርያ ሊቀ ኻህናት ወቒዑ የማነይቲ እዝኑ ቘረጾ። ስም እቲ ባርያውን ማልኮስ እዩ። 11የሱስ ከኣ ንጴጥሮስ፥ ሰይፍኻ ናብ ሰፈሩ ምለሶ። ነታ ኣቦይ ዝሃበኒ ጽዋእሲ ኣይሰትያንዶ እየ፡ በሎ።
12ሽዑ እቶም ጭፍራን እቲ ሓለቓ ሽሕን እቶም ገላዉ ኣይሁድን ንየሱስ ሒዞም ኣሰርዎ። 13ሃና ነቲ በታ ዓመት እቲኣ ሊቀ ኻህናት ዝነበረ ቀያፋ ሓሙኡ ስለ ዝዀነ፡ ቅድም ናብኡ ወሰድዎ። 14ቀያፋ ኸኣ እቲ፡ ኣብ ክንዲ ህዝቢ ሓደ ሰብኣይ እንተ ሞተ ይሓይሽ፡ ኢሉ ንኣይሁድ ዝመኸሮም እዩ።
15ስምኦን ጴጥሮስ ከኣ ምስቲ ሓደ ኻልእ ወደ መዝሙር ኰይኑ ንየሱስ ሰዓቦ። እቲ ኣብ ሊቀ ኻህናት ፍሉጥ ዝነበረ ወደ መዝሙርውን ምስ የሱስ ናብ ገዛ ሊቀ ኻህናት ኣተወ። 16ጴጥሮስ ግና ኣብ ጥቓ ኣፍ ደገ ብወጻኢ ደው በለ። እቲ ኣብ ሊቀ ኻህናት ፍሉጥ ዝነበረ ወደ መዝሙር ከኣ ወጸ እሞ ነታ ዓጻዊት ደገ ነጊሩ ንጴጥሮስ ኣእተዎ። 17ሽዑ ሓንቲ ገረድ፡ ንሳ እታ ዓጻዊት ደገ፡ ንጴጥሮስ፥ ንስኻውንዶ ኻብ ደቀ መዛሙርቲ እዚ ሰብኣይ እዚ ኢኻ፡ በለቶ። ንሱ ግና፥ ኣይፋለይን፡ በለ። 18ብዙሕ ቍሪ ነበረ እሞ፡ እቶም ባሮትን ገላውን ሓዊ ኣጕሂሮም ደው ኢሎም ይስሕኑ ነበሩ። ጴጥሮስውን ምሳታቶም ደው ኢሉ ይስሕን ነበረ።
19ሽዑ እቲ ሊቀ ኻህናት ንየሱስ ብዛዕባ ደቀ መዛሙርቱን ትምህርቱን ሓተቶ። 20የሱስ ከኣ፥ ኣነ ንዓለም ብግሁድ እዛረብ፡ ኵሉ ሳዕውን ኣብቲ ኣይሁድ ዝእከቡሉ ዘበለ፡ ኣብ ቤት ጸሎትን ቤተ መቕደስን እምህር ነይረ፡ ሓንቲ እኳ ብሕቡእ ኣይተዛረብኩን። 21ንምንታይከ ንኣይ ትሓተኒ ኣሎኻ፧ ነቶም ዘረባይ ዝሰምዑ ሕተቶም። እንሆ፡ ንሳቶም ነቲ ኣነ እተዛረብክዎ ይፈልጥዎ እዮም፡ ኢሉ መለሰሉ። 22እዚ ምስ በለ፡ ካብቶም ገላው ሓደ ኣብኡ ደው ኢሉ ዝነበረ፥ ንሊቀ ኻህናትናዶ ኸምዚ ኢልካ ትመልሰሉ ኣሎኻ፡ ኢሉ ንየሱስ ጸፍዖ። 23የሱስ ከኣ፥ ክፉእ እንተ ተዛሪበ፡ ክፉእ ምዃኑ መስክር፡ ጽቡቕ ተዛሪበ እንተ ዀይነ ግና፡ ስለምንታይ ትወቕዓኒ ኣሎኻ፡ ኢሉ መለሰሉ። 24ሃና ኸኣ ናብ ቀያፋ፡ እቲ ሊቀ ኻህናት፡ ብእሱሩ ሰደዶ።
25ስምኦን ጴጥሮስ ከኣ ደው ኢሉ ሓዊ ይስሕን ነበረ። ስለዚ፥ ንስኻስ ካብቶም ደቀ መዛሙርቱ ደዀን ትኸውን፧ በልዎ። ንሱ ግና፥ ኣይፋለይ፡ ኢሉ ኸሓደ። 26ካብቶም ባሮት ሊቃውንቲ ካህናት ሓደ፡ ነቲ ጴጥሮስ እዝኑ ዝቘረጾስ ዘመዱ፥ ኣብቲ ኣታኽልቲዶ ባዕለይ ምስኡ ኣይርኤኹኻን፧ በሎ። 27ሽዑ ጴጥሮስ ከም ብሓድሽ ከሓደ፡ ብኡብኡውን ደርሆ ነቀወ።
28ሽዑ ንየሱስ ካብ ቀያፋ ናብ መጋባእያ ወሰድዎ፡ ንግሆ ድማ ነበረ። ንሳቶም ግና፡ ገንሸል ፋስጋ ምእንቲ ኽበልዑስ፡ ከይረኽሱ ናብ መጋባእያ ኣይኣተዉን። 29ሽዑ ጲላጦስ ናባታቶም ናብ ወጻኢ ወጺኡ፡ ነዚ ሰብኣይዚ እንታይ ክሲ ተምጽኡሉ ኣሎኹም፡ በሎም። 30ንሳቶም፥ እዚ ገባር ክፉእ እንተ ዘይከውንሲ፡ ናባኻ ኣይመሕለፍናዮን ኔርና፡ ኢሎም መለስሉ። 31-32ሽዑ ጲላጦስ ንስኻትኩም ውሰድዎ፡ ከምቲ ሕግኹም ጌርኩምውን ፍረድዎ፡ በሎም። የሱስ በየናይ ሞት ክመውት ከም ዘለዎ ኸመልክት ከሎ ዝበሎ ቓል ምእንቲ ኽፍጸም፡ እቶም ኣይሁድ፥ ንኣናስ ንሓደ እኳ ኽንቀትል ከቶ ኣይተፈቐደልናን፡ በልዎ።
33ሽዑ ጲላጦስ ከም ብሓድሽ ናብ መጋባእያ ኣተወ፡ ንየሱስ ጸዊዑ ኸኣ፥ ንስኻዶ ንጉስ ኣይሁድ ኢኻ፡ በሎ። 34የሱስ ድማ፥ እዚ እትዛረቦስ ካብ ርእስኻ ዲኻ እትብሎ ዘሎኻ፡ ወይስ ብዛዕባይ ካልኦት ነጊሮምኻ እዮም፡ ኢሉ መለሰ። 35ጲላጦስ ከኣ፥ ኣነ እሞ ኣይሁዳዊ ደዀይነ፡ ህዝብኻን ሊቃውንቲ ካህናትን ደይኰኑን ናባይ ዘሕለፉኻ፧ እንታይ ጌርካ ኢኻ፧ ኢሉ መለሰሉ። 36የሱስ ከኣ፥ መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰነትን ካብዛ ዓለም እዚእ እንተ ትኸውንሲ፡ ብኣይሁድ ከይተሓዝ፡ ገላዎይ ምተዋግኡለይ ነይሮም። ሕጂ ግና መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰንትን፡ ኢሉ መለሰ። 37ጲላጦስ ድማ፥ እምብኣርከስ ንስኻ ንጉስ ኢኻ፡ በሎ። የሱስ ከኣ፥ ንጉስ ምዃነይሲ ንስኻ እኳ ትብል ኣሎኻ። ኣነ ብሓቂ ኽምስክር፡ ምእንትዚ ተወለድኩ፡ ምእንትዚውን እየ ናብ ዓለም ዝመጻእኩ። ካብ ሓቂ ዝኰነ ኵሉ ኸኣ ድምጸይ ይሰምዕ እዩ፡ ኢሉ መለሰ። 38ጲላጦስ ከኣ፡ ሓቂ እንታይ እዩ፧ በሎ።
እዚ ኢሉ ከም ብሓድሽ ናብ ኣይሁድ ወጺኡ፥ ኣነስ ሓንቲ በደል እኳ ኣይረኸብኩሉን፡ 39ንኣኻትኩም ግና በብፋስጋ ሓደ እሱር ክፈትሓልኩም ልማድ ኣሎኩም። እምብኣርሲ ነዚ ንጉስ ኣይሁድ ክፈትሓልኩምዶ ትደልዩ ኢኹም፡ በሎም። 40ሽዑ ኸም ብሓድሽ ዓው ኢሎም፥ ንበርባን ደኣ እምበር፡ ነዝስ ኣይኰነን፡ በሉ። በርባን ግና ከታሪ እዩ ዝነበረ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ወን.ዮሃንስ ምዕራፍ 19
1ሽዑ ጲላጦስ ንየሱስ ወሲዱ ገረፎ። 2እቶም ጭፍራ ኸኣ ኣኽሊል እሾኽ ተኒጎም፡ ኣብ ርእሱ ደፍኡሉ፡ ቀይሕ ባርኖስውን ከደንዎ። 3መመጺኦም ከኣ፥ ዎ ንጉስ ኣይሁድ፡ ከመይ ኢኻ፧ ይብልዎ ገጹውን ይጸፍዕዎ ነበሩ። 4ጲላጦስ ከም ብሓድሽ ናብ ወጻኢ ወጺኡ፥ እዚ ሰብኣይዚ ሓንቲ በደል እኳ ኸም ዘይረኸብኩሉ ኽትፈልጡ፡ እንሆ፡ ናብ ወጻኢ ኣውጽኣልኩም ኣሎኹ፡ በሎም። 5ሽዑ የሱስ ኣኽሊል እሾኽ ደፊኡን ቀይሕ ባርኖስ ተኸዲኑን ናብ ወጻኢ ወጸ። ጲላጦስ ድማ፥ እንሆ እቲ ሰብኣይ፡ በሎም። 6ሊቃውንቲ ካህናትን እቶም ገላውን ምስ ረኣይዎ፥ ስቐሎ፡ ስቐሎ፡ ኢሎም ጫውጫው በሉ። ጲላጦስ ከኣ፥ ኣነስ ሓንቲ በደል እኳ ኣይረኸብኩሉን፡ ንስኻትኩም ወሲድኩም ስቐልዎ፡ በሎም። 7ኣይሁድ ከኣ፥ ንሕና ሕጊ ኣሎና፡ ንሱ ንርእሱ ወዲ ኣምላኽ ገይሩ እዩ እሞ፡ ከም ሕግና ኽመውት ይግብኦ እዩ፡ ኢሎም መለሱሉ። 8ጲላጦስ እዚ ዘረባዚ ምስ ሰምዐ፡ ኣዝዩ ፈርሀ። 9ከም ብሓድሽ ናብ መጋባእያ ኣተወ እሞ ንየሱስ፥ ኣታ፡ ካበይ ኢኻ፧ በሎ። የሱሱ ግና ኣይመለሰሉን። 10ጲላጦስ ከኣ፥ ንኣይከ ኣይትዛረበንን ዲኻ፧ ክሰቕለካን ክፈትሓካን ስልጣን ከም ዘሎኒዶ ኣይትፈልጥን ኢኻ፧ በሎ። 11የሱስ ከኣ፥ ካብ ላዕሊ እንተ ዘይውሃበካስ፡ ኣባይ ስልጣን ኣይምሃለወካን ነይሩ። ስለዚ እቲ ኣባኻ ዘትሕዘኒ ሓጢኣቱ ዝገደደ እዩ፡ ኢሉ መለሰሉ። 12ካብኡ ንነጀው ጲላጦስ ክፈትሖ ደለየ። ኣይሁድ ግና፥ ነዚ እንተ ፈታሕካዮ፡ ፈታው ቄሳር ኣይኰንካን። ርእሱ ኸንግስ ዝደሊ ዘበለ ዅሉ መቐናቕንቲ ቄሳር እዩ፡ ኢሎም ጫውጫው በሉ። 13ጲላጦስ ነዚ ዘረባዚ ምስ ሰምዐ፡ ንየሱስ ናብ ወጻኢ ወሲዱ፡ ኣብቲ ጸፍጸፍ ዝብልዎ፡ ብእብራይስጥ ገበታ ዝብሃል ስፍራ ኣብ መንበር ፍርዲ ተቐመጠ። 14ድሮ ፋስጋ፡ ኣስታት ሳድሰይቲ ሰዓት ኣቢሉ ነበረ። ንኣይሁድ ከኣ፥ እንሆ ንጉስኩም፡ በሎም። 15ሽዑ ንሳቶም፥ ንየው በሎ፡ ንየው በሎ፡ ስቐሎ፡ ኢሎም ጫውጫው በሉ። ጲላጦስ ከኣ፥ ንንጉስኩምዶ ኽሰቕሎ፡ በሎም። እቶም ሊቃውንቲ ኻህናት ከኣ፥ ብዘይ ቄሳር ንጉስ የብልናን፡ ኢሎም መለሱ። 16ሽዑ ኽሰቕልዎ ኣሕሊፉ ሃቦም። ተቐቢሎም ድማ ወሰድዎ። 17መስቀሉ ጾይሩ ኸኣ፡ ቀረንቀራ ርእሲ ናብ እትብሃል ስፍራ፡ ብእብራይስጥ ድማ ጐልጎታ እትብሀል፡ ወጸ። 18ኣብኣ ሰቐልዎ፡ ክልተ ኻልኦት ድማ ምስኡ፡ ሓደ በዚ፡ ሓደ በቲ፡ የሱስውን ኣብ ማእከሎም። 19ጲላጦስ ድማ ጽሕፈት ጽሒፉ ኣብቲ መስቀል ኣንበሮ። እቲ ጽሕፈት ኸኣ የሱስ ናዝራዊ፡ ንጉስ ኣይሁድ፡ ዝብል እዩ። 20እታ የሱስ እተሰቕለላ ስፍራ ጥቓ እታ ኸተማ ስለ ዝነበረት፡ ነዚ ጽሑፍ እዚ ብዙሓት ካብ ኣይሁድ ኣንበብዎ። እቲ ጽሕፈት ኸኣ ብቛንቛ እብራይስጥን ሮሜን ጽርእን እዩ። 21ስለዚ እቶም ሊቃውንቲ ኻህናት ኣይሁድ ንጲላጦስ፥ ንሱ ባዕሉ፥ ኣነ ንጉስ ኣይሁድ እየ፡ ከም ዝበለ ደኣ እምበር፡ ንጉስ ኣይሁድ እዩ፡ ኢልካስ ኣይትጽሓፍ፡ በልዎ። 22ጲላጦስ፥ ዝጸሓፍክዎ ጸሓፍኩ፡ ኢሉ መለሰ። 23እቶም ዓቀይቲ ግና ንየሱስ ምስ ሰቐልዎ፡ ክዳውንቱ ኣልዒሎም ኣብ ኣርባዕተ ምስ መቐልዎ፡ ነንሓደ ዓቀይታይ ግዲኡ፡ ነቲ ቐምሹውን ከምኡ። እቲ ቐምሹ ግና ካብ ላዕሊ ኽሳዕ ታሕቲ ዅለንትናኡ እሉም ነበረ እምበር፡ ስፋይ ኣይነበሮን። 24ንሓድሕዶም ከኣ፥ ንዝበጽሐ ክበጽሖስ ዕጭ ደኣ ነውድቐሉ እምበር፡ ኣይንቕደዶ፡ ተባሃሀሉ። እቲ ክዳውንተይ ንርእሶም ተማቐልዎ፡ ንቐምሸይውን ዕፅ ተዋደቑሉ፡ ዝብል ጽሑፍ ምእንቲ ክፍጸም እዮም እቶም ዓቀይቲ እዚ ዝገበሩ። 25ኣብ ጥቓ መስቀል የሱስ ከኣ ኣዲኡን ሓብቲኖኡ ማርያም ሰበይቲ ቀሌዮጳን ማርያም መግደላዊትን ደው ኢለን ነበራ። 26የሱስ ነዲኡን ነቲ ዘፍቅሮ ወደ መዝሙርውን ኣብ ጥቓኣ ደው ኢሉን ምስ ረኣየ፡ ነዲኡ፥ ኣቲ ሰበይቲ፡ እንሆ ወድኺ፡ በላ። 27ነቲ ወደ መዝሙር ከኣ፥ እንሃ ኣዴኻ፡ በሎ። እቲ ወደ መዝሙርውን ካብ ሽዑ ጀሚሩ ናብ ቤቱ ወሰዳ። 28ድሕርዚ የሱስ ኵሉ ኸም እተፈጸመ ፈሊጡ፡ እቲ ዝሑፍ ምእንቲ ክፍጸም፥ ጸማእኩ፡ በለ። 29ኣብኡ መጺጽ ዝመልአ ኣቕሓ ነበረ፡ ሽዑ መጺጽ ዝመልአ ሰፍነግ ኣብ ዘንጊ ስምዕዛ ገይሮም ናብ ኣፉ ኣቕረቡሉ። 30የሱስ ከኣ ነቲ መጺጽ ዝመልአ ምስ ጠዓመ፥ ተፈጸመ፡ በለ። ርእሱ ኣድነነ፡ ነፍሱውን ወጸት። 31ስለዚ፡ ድሮ ሰንበት ነበረ እሞ፡ እታ ሰንበት እቲኣ ክብርቲ በዓል ዓመት ስለ ዝዀነት፡ እቲ ስጋኦም ኣብ መስቀል ምእንቲ ኸይሓድር፡ መሓዅልቶም ሰሰቢሮም ከውርድዎም፡ እቶም ኣይሁድ ንጲላጦስ ለመንዎ። 32ሽዑ እቶም ዓቀይቲ መጺኦም መሓዅልቲ እቲ ቐዳማይን ናይቲ ምስኡ እተሰቕለ ኣልኣይን ሰበሩ። 33ናብ የሱስ ምስ መጹ ግና፡ ሽዓ ኸም ዝሞተ ርእዮም፡ መሓዅልቱ ኣይሰበርዎን። 34ሓደ ካብቶም ዓቀይቲ ግና ጐድኑ ብዅናት ወግኦ፡ ብኡብኡ ኸኣ ደምን ማይን ወጸ። 35እቲ ዝረአየ ኸኣ መስከረ፡ ምስክሩውን ሓቂ እዩ። ንሱ ኸኣ፡ ንስኻትኩም ምእንቲ ኽትኣምኑ፡ ሓቂ ኸም እተዛረበ ይፈልጥ ኣሎ። 36እቲ፥ ካብኡ ሓደ ዓጽሚ እኳ ኣይክሰብሩን እዮም፡ ዝብል ጽሑፍ ምእንቲ ኽፍጸም እዩ እዚ ዝዀነ። 37ካልእ ጽሑፍውን፥ እቶም ዝወግእዎ ኽርእይዎ እዮም፡ ይብል እዩ። 38ድሕርዚ ዮሴፍ ብዓል ኣርማትያስ፡ እቲ ንኣይሁድ ስለ ዝፈርሀ ብሕቡእ ወደ መዝሙር የሱስ ዝነበረ፡ ንሱ ስጋ የሱስ ክወስድ ንጲላጦስ ለመኖ። ጲላጦስ ከኣ ፈቐደሉ። ሽዑ ኸይዱ ንስጋ የሱስ ወሰዶ። 39እቲ ቕድም ብለይቲ ናብ የሱስ መጺኡ ዝነበረ ኒቆዲሞስውን መጸ እሞ ኣስታት ሚእቲ ነጥሪ ዝኣክል ከርበን ዓልወን እተሖሰ ኣምጽአ። 40ንስጋ የሱስ ወሲዶም፡ ከምቲ ልማድ ቀብሪ ኣይሁድን ኣጋናንዛኦምን ብበፍታ ምስ ሽቱ ገይሮም ገነዝዎ። 41ኣብታ እተሰቕለላ ስፍራ ድማ ኣታክልቲ ነበረ። ኣብታ ኣታኽልቲ ኸኣ እተቐብረሉ ዘይብሉ ሓድሽ መቓብር ጸንሐ። 42እቲ መቓብር ቀረባ ነበረ እሞ፡ ድሮ ሰንበት ስለ ዝነበረ፡ ንየሱስ ኣብኡ ኣንበርዎ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ወን.ዮሃንስ ምዕራፍ 20
1በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን ግና ማርያም መግደላዊት፡ ገና ጸልማት ከሎ፡ ኣንጊሃ ናብቲ መቓብር መጸት፡ ነቲ እምኒ ኸኣ ካብ ኣፍ መቓብር ተፈንቂሉ ረኣየቶ። 2ስለዚ ንሳ ጐይያ፡ ናብ ስምኦን ጴጥሮስን ናብቲ የሱስ ዘፍቅሮ ኻልእ ወደ መዝሙርን መጺኣ፥ ንጐይታና ካብ መቓብር ወሲዶምዎ፡ ኣበይ ከም ዘንበርዎ ኣይንፈልጥን፡ በለቶም። 3ጴጥሮስን እቲ ሓደ ወደ መዝሙርን ከኣ ወጹ፡ ናብቲ መቓብርውን ከዱ። 4ክልቲኣቶም ብሓንሳእ ጐየዩ እሞ እቲ ሓደ ወደ መዝሙር ንጴጥሮስ ቀደሞ። ኣብቲ መቓብርውን ቅድም በጽሐ። 5ደኒኑ እንተ ጠመተ ኸኣ፡ ኣብኡ መጋንዝ ረኣየ፡ ግናኸ ኣይኣተወን። 6ሽዑ ስምኦን ጴጥሮስ ደድሕሪኡ መጺኡ፡ ናብቲ መቓብር ኣተወ ነቲ መጋንዝውን ተነቢሩ ረኣዮ። 7እቲ ኣብ ርእሱ ዝነበረ መኣረምያ ኸኣ ንበይኑ ተጠቕሊሉ ነበረ እምበር፡ ምስቲ መጋንዝ ኣይነበረን። 8-9ሽዑ እቲ ቕድም ናብ መቓብር ዝመጸ ኻልእ ወደ መዝሙር ድማ ኣተወ፡ ነቲ ኻብ ምዉታት ክትንስእ ይግብኦ እዩ፡ ዝብል ጽሑፍ ግና ኣየስተውዓልዎን ነበሩ እሞ፡ ርእዩ ኣመነ። 10ሽዑ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ናብ ቤቶም ተመልሱ። 11ማርያም ግና ኣብቲ ኣፍ መቓብር ደው ኢላ ትበኪ ነበረት። እናበኸየት ከኣ ናብቲ መቓብር ድንን ኢላ፡ 12ኣብቲ ስጋ የሱስ ዝነበሮ፡ ጻዕዳ ኽዳውንቲ እተኸድኑ ኽልተ መልኣኽ፡ ሓደ ብትርኣስ ሓደ ብትርጋጽ፡ ረኣየት። 13ንሳቶም ከኣ፡ ኣቲ ሰበይቲ፡ እንታይ የብክየኪ ኣሎ፧ በልዋ። ንሳ፡ ንጐይታይ ወሲዶምዎ፡ ኣበይ ከም ዘንበርዎ ኸኣ ኣይፈልጥን፡ በለቶም። 14እዚ ኢላ ንድሕሪኣ ግልጽ በለት እሞ ንየሱስ ደው ኢሉ ረኣየቶ። የሱስ ምዃኑ ግና ኣይፈለጠትን። 15የሱስ ከኣ፥ ኣቲ ሰበይቲ፡ እንታይ የብክየኪ ኣሎ፧ ንመንሲ ትደልዪ ኣሎኺ፡ በላ። ንሳ ኸኣ ሓላዉ ኣታኽልቲ መሲልዋ፡ ጐይታይ፡ ንስኻ ኣልዒልካዮ እንተ ዄንካስ፡ ኣነ ኽወስዶ፡ ኣበይ ከም ዘንበርካዮ ንገረኒ፡ በለቶ። 16የሱስ ከኣ፥ ማርያም፡ በላ። ንሳ ድማ ግልጽ ኢላ፡ ብእስራይስጥ፥ ረቡኒ፦ ትርጕሙ መምህረይ ማለት እዩ። 17የሱስ ከኣ፡ ገና ናብ ኣቦይ ኣይደየብኩን እሞ፡ ኣይትተንክይኒ። ግናኸ ናብ ኣሕዋተይ ኪዲ እሞ፡ ናብ ኣቦይን ኣቦኹምን ናብ ኣምላኸይን ኣምላኽኩምን እድይብ ኣሎኹ፡ በልዮም፡ በላ። 18ማርያም መግደላዊት፡ ንጐይታ ኸም ዝረኣየቶን እዚውን ከም ዝበላን፡ ከይዳ ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ነገረቶም። 19በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን፡ ምድሪ ምስ መሰየ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቱ ነቶም ኣይሁድ ስለ ዝፈርሁዎም፡ መዓጹ ተሸጕሩ ነበረ እሞ፡ የሱስ ኣብታ ተኣኪቦምላ ዘለዉ መጺኡ ኣብ ማእከሎም ደው ኢሉ፡ ሰላም ንኣኻትኩም ይኹን፡ በሎም። 20እዚ ምስ በሎም ከኣ፡ ኣእዳዉን ጐድኑን ኣርኣዮም። እቶም ደቀ መዛሙርቲውን ንጐይታ ምስ ረኣይዎ፡ ተሓጐሱ። 21ሽዑ የሱስ ከም ብሓድሽ፡ ሰላም ንኣካትኩም ይኹን። ከምቲ ኣቦ ንኣይ ዝለኣኸኒ፡ ኣነውን ከምኡ እልእከኩም ኣሎኹ፡ በሎም። 22እዚ ኢሉ ኡፍ በለሎም እሞ፡ መንፈስ ቅዱስ ተቐበሉ፡ 23ሓጢኣቶም ንዝሓደግኩምሎም ይሕደገሎም፡ ንዝሓዝኩምሎም ከኣ ይተሓዘሎም እዩ፡ በሎም። 24እቲ ዲዲሞስ ዚብሃል ቶማስ፡ ሓደ ኻብቶም ዓሰርተው ክልተስ ግና፡ የሱስ ክመጽእ ከሎ፡ ምሳታቶም ኣይነበረን። 25እቶም ካልኦት ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ፡ ንጐይታ ርኢናዮ፡ በልዎ። ንሱ ግና፡ ኣሰር እቲ ሽንካር ኣብ ኢዱ እንተ ዘይርኣኹ፡ ኣጻብዐይ ድማ ኣብቲ እተሸንከሮ እንተ ዘየእቶኹ፡ ኣብ ጐድኑውን ኢደይ እንተ ዘየእቶኹስ፡ ኣይኣምንን እየ፡ በሎም። 26ድሕሪ ሾሞንተ መዓልቲ ኸኣ እቶም ደቀ መዛሙርቱ ኸም ብሓድሽ ኣብ ውሽጢ ነበሩ፡ ቶማስውን ምሳታቶም ነበረ። መዓጹ ተሸጕሩ ኸሎ፡ የሱስ መጸ፡ ኣብ ማእከሎም ደው ኢሉውን፡ ሰላም ንኣኻትኩም ይኹን፡ በሎም። 27ደሓር ከኣ ንቶማስ፡ ኣጻብዕካ ናብዚ ኣምጽእ ነእዳወይውን ርአ፡ ኢድካ ኸኣ ናብዚ ኣምጽእ እሞ ናብ ጐድነይ ኣእትዋ፡ ኣማኒ እምበር፡ ዘይኣማኒ ኣይትኹን፡ በሎ። 28ቶማስ መሊሱ ከኣ፡ ጐይታይን ኣምላኸይን፡ በሎ። 29የሱስ ከኣ፡ ሳላ ዝርኣኻኒ ኢኻ ዝኣመንካ፡ እቶም ከይረኣዩ ዝኣምኑ ብጹኣን እዮም፡ በሎ። 30የሱስ ድማ ኣብዚ መጽሓፍ እዚ ዘይተጻሕፈ ኻልእ ብዙሕ ተኣምራት ኣብ ቅድሚ ደቀ መዛሙርቱ ገበረ። 31ግናኸ የሱስ፡ ንሱ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ምእንቲ ኽትኣምኑ፡ ኣሚንኩምውን ብስሙ ህይወት ኽትረኽቡ እዩ እዚ እተጻሕፈ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ወን.ዮሃንስ ምዕራፍ 21
1ድሕርዚ ኸኣ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ጥብርያዶስ ከም ብሓድሽ ተገልጸሎም፡ በዚ ኸምዚውን ተራእዮም፥ 2ስምኦን ጴጥሮስን ዲዲሞስ ዝብልዎ ቶማስን ናትናኤል ብዓል ቃና ገሊላን ደቀ ዘብዴዎስን ክልተ ኻልኦት ከኣ ካብ ደቀ መዛሙርቱን ብሓደ ነበሩ። 3ስምኦን ጴጥሮስ ድማ፥ ኣነስ ዓሳ ኽገፍፍ ክኸይድ እየ፡ በሎም። ንሳቶም ከኣ፥ ንሕናውን ምሳኻ ንኸይድ፡ በልዎ። ወጺኦም ናብ ጃልባ ኣተዉ፡ በታ ለይቲ እቲኣ ሓደ እኳ ኣይሓዙን። 4ምድሪ ምስ ወግሐ፡ የሱስ ኣብ ገምገም ደው በለ። እቶም ደቀ መዛሙርቱ ግና የሱስ ምዃኑ ኣይፈለጡን። 5የሱስ ከኣ፥ ደቀይ፡ ገለ ዝብላዕዶ ኣሎኩም፧ በሎም። ንሳቶም፥ የብልናን፡ ኢሎም መለስሉ። 6ንሱ ኸኣ፥ ነቲ መርበብ ናብ የማን ጃልባ ኣቢልኩም ደርብይዎ እሞ ክትረኽቡ ኢኹም፡ በሎም። ሽዑ ደርበይዎ እሞ ካብ ብዝሒ እቲ ዓሳ እተላዕለ ምስሓቡ ሰኣኑ። 7እቲ የሱስ ዘፍቅሮ ወደ መዝሙር ከኣ ንጴጥሮስ፥ ጐይታና እምበር እዩ፡ በሎ። ስምኦን ጴጥሮስ ድማ ጐይታ ምዃኑ ምስ ሰምዐ፡ ጥራዩ ነበረ እሞ፡ ክዳኑ ተዓጢቑ ናብ ባሕሪ ዘለለ። 8እቶም ካልኦት ደቀ መዛሙርቲ ድማ ካብ ምድሪ ኣስታት ክልተ ሚእቲ እመት ጥራይ ርሒቖም ነበሩ እሞ፡ ነቲ ዓሳ ዝመልአ መርበብ እናሰሓብዎ፡ ብጃልባ መጹ። 9ናብ ምድሪ ምስ ወረዱ ኸኣ፡ ጓህርን ዓሳ ኣብ ልዕሊኡን እንጌራ ረኣዩ። 10የሱስ ከኣ፡ ካብዚ ሕጂ ዝገፈፍኩምዎ ዓሳ ኣምጽኡ፡ በሎም። 11ስምኦን ጴጥሮስ ናብታ ጃልባ ኣትዩ፡ ነቲ ሚእትን ሓምሳን ሰለሰትን ገዘፍቲ ዓሳ ዝመልአ መርበብ ናብ ምድሪ ጓተቶ። ክሳዕ ክንድዚ ብዙሓት ክነሶምሲ፡ እቲ መርበብ ኣይተቐደን። 12የሱስ ድማ፥ ንዑ ተመስሑ፡ በሎም። እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ፡ ጐይታ ምዃኑ ስለ ዝፈለጡ፡ ካባታቶም ሓደ እኳ፥ ንስኻ መን ኢኻ፧ ኢሉ ኽሓቶ ዝደፈረ የልቦን። 13የሱስ መጺኡ ነቲ እንጌራ ኣልዒሉ ሃቦም፡ ከምኡውን ነቲ ዓሳ። 14የሱስ ድሕሪ ኻብ ምዉታት ምትንሳኡ ንደቀ መዛሙርቱ እተገልጸሎም እዚ ሳልሳይ ግዜኡ እዩ። 15ምስ ተመስሑ ኸኣ፡ የሱስ ንስምኦን ጴጥሮስ፥ ስምኦን ወዲ ዮና፡ ካብ እዚኣቶም ኣብሊጽካዶ ተፍቅረኒ ኢኻ፧ በሎ። ንሱ ኸኣ፥ እወ ጐይታይ፡ ኣነ ኸም ዘፍቅረካ፡ ንስኻ ትፈልጥ ኣሎኻ፡ በሎ። ንሱ፥ ዕያውተይ ኣብልዕ፡ በሎ። 16ከም ብሓድሽ ከኣ ካልኣይ ግዜ፥ ስምኦን ወዲ ዮና፡ ተፍቅረኒዶ ኢኻ፧ በሎ። ንሱ፥ እወ ጐይታይ፡ ኣነ ኸም ዘፍቅረካ፡ ንስኻ ትፈልጥ ኣሎኻ፡ በሎ። ንሱ፥ ኣባጊዐይ ሓሉ፡ በሎ። 17ሳልሳይ ድማ፥ ስምኦን ወዲ ዮና፡ ተፍቅረኒዶ ኢኻ፧ በሎ። ጴጥሮስ፡ ሳልሳይ ግዜ ተፍቅረኒዶ ኢኻ፧ ስለ ዝበሎ፡ ጕህዩ፥ ጐይታይ፡ ንስኻ ዅሉ ትፈልጥ ኣሎኻ፡ ኣነ ኸም ዘፍቅረካውን ትፈልጥ ኣሎኻ፡ በሎ። የሱስ ከኣ፥ ኣባጊዐይ ኣብልዕ። 18ንስኻ በጽሒ ኸሎኻ፡ ባዕልኻ ተዓጢቕካ ናብ ዝደለኻዮ ትኸይድ ኔርካ። ምስ ኣረግካ ግና፡ ኣእዳውካ ኸም እተልዕል እሞ ካልእ ከም ዘዕጥቐካ ናብ ዘይደለኻዮውን ከም ዝወስደካ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለካ ኣሎኹ፡ በሎ። 19ብኸመይ ዝመሰለ ሞት ንኣምላኽ ከኽብሮ ኸም ዘለዎ ምእንቲ ኽሕብረሉ እዩ እዚ ዝበለ። እዚ ምስ ተዛረበ ኸኣ፥ ስዓበኒ፡ በሎ። 20ጴጥሮስ ድማ ግልጽ ኢሉ፡ ነቲ የሱስ ዘፍቅሮ ወደ መዝሙር ክስዕብ ከሎ ረኣዮ። ንሱ እቲ ኽድረሩ ኸለዉ፡ ኣብ ልቢ የሱስ ጽግዕ ኢሉ ተቐሚጡ ዝነበረ እሞ፥ ጐይታይ፡ ኣሕሊፉ ዝህበካ መን እዩ፧ ዝበሎ እዩ። 21ሽዑ ጴጥሮስ ንእኡ ርእዩ ንየሱስ፥ ጐይታይ፡ እዚኸ ኸመይ ምዃኑ፧ በሎ። 22የሱስ ከኣ፥ ክሳዕ ዝመጽእ ክጸንሕ እንተ ፈቶኹኸ፡ እንታይ ገዲሱካ፡ ንስኻ ግዳ ስዓበኒ፡ በሎ። 23ስለዚ እቲ ወደ መዝሙር እቲ ኸም ዘይመውት፡ እዚ ዘረባ እዚ ኣብ ማእከል ኣሕዋት ወጸ። የሱስ ግና፥ ክሳዕ ዝመጽእ ክጸንሕ እንተ ፈቶኹኸ፡ እንታይ ገዲሱካ፧ በለ እምበር፡ ኣይመውትን እዩስ፡ ኣይበሎን። 24እቲ ብዛዕባዚ ዝመስከረን ዝጸሓፈን እዚ ወዲ መዝሙር እዚ እዩ። እቲ ምስክሩ ሓቂ ምዃኑ ድማ ንሕና ንፈልጥ ኢና። 25የሱስ ዝገበሮ ግብሪ ድማ ብዙሕ ካልእ ኣሎ። ኵሉ በብሓደ ተጽሒፉ እንተ ዝኸውንሲ፡ ነቲ እተጻሕፈ መጻሕፍቲ ዅላ እዛ ዓለም እኳ ኣይምኣኸለቶን ይመስለኒ።
ግብሪ ሃዋርያት
1 2 3 4 5 6 7 8 9
10 11 12 13 14 15
16 17 18 19 20
21 22 23 24 25
26 27 28
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ግ.ሃዋ. ምዕራፍ 1
1ዎ ቴዎፍሎስ፡ ብዛዕባቲ የሱስ ክገብሮን ክምህሮን ዝጀመረሉ ኩሉ እቲ ቀዳማይ ዛንታ ጽሒፈልካ ኣሎኹ፡ 2ክሳዕ እታ ዝዓረገላ መዓልቲ ነቶም ዝሓረዮም ሃዋርያት ብመንፈስ ቅዱስ ምስ ለኣኾም፡ 3ድሕሪ ስቅያቱ ኣርብዓ መዓልቲ እናተራእዮምን ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ከኣ እናነገሮምን ብብዙሕ መፈለጥታ ህያው ምዃኑ ርእሱ ከም ዘርኣዮምን ጽሒፈልካ ኣሎኹ። 4-5ምሳታቶም ብሓንሳእ ከሎ ኸኣ፡ ዮሃንስ ብማይ እዩ ዘጥመቐ፡ ንስኻትኩም ግና ድሕሪ ቕሩብ መዓልቲ ብመንፈስ ቅዱስ ክትጥመቑ ኢኹም እሞ፡ ነቲ ካባይ ዝሰማዕኩምዎ ተስፋ ኣቦ ተጸበዩ፡ ኢሉ ካብ የሩሳሌም ከይወጹ ኣዘዞም። 6ሽዑ ተኣኪቦም ከለዉ፡ ጐይታይ፡ በዚ ወርሓት እዚዶ ንእስራኤል መንግስቲ ከተቕንዕ ኢኻ፧ ኢሎም ሓተትዎ። 7ንሱ ኸኣ፡ ኣቦ ብስልጣኑ ዝመደቦ ዘመኑን ግዜኡን ክትፈልጡ ናታትኩም ኣይኰነን። 8መንፈስ ቅዱስ ናባኻትኩም ምስ ዝወርድ ግና፡ ሓይሊ ክትቅበሉ፡ ኣብ የሩሳሌምን ኣብ ኲላ ይሁዳን ኣብ ሰማርያን ክሳዕ ወሰን ምድሪ ምስክር ክትኰኑኒ ኢኹም፡ በሎም፡ 9እዚ ምስ በለ ድማ፡ እናረኣይዎ ዓረገ፡ ካብ ኣዒንቶም ከኣ ደበና ተቐበለቶ። 10ንሱ ክዓርግ ከሎ፡ ንሳቶም ከኣ ናብ ሰማይ ገጾም ክጥምቱ ኸለዉ፡ እንሆ፡ ጻዕዳ ክዳውንቲ እተኸድኑ ክልተ ሰብኡት ኣብ ጥቓኦም ደው ኢሎም ነበሩ እሞ፡ 11ኣቱም ሰብ ገሊላ፡ ስለምንታይ ናብ ሰማይ እናጠመትኩም ደው ኢልኩም ዘሎኹም፧ እዚ ኻባኻትኩም ናብ ሰማይ ዝዓረገ የሱስ፡ ከምቲ ናብ ሰማይ ክዓርግ ከሎ ዝርኤኹምዎ ኸምኡ ገይሩ ኸኣ ክመጽእ እዩ፡ በልዎም። 12ሽዑ ደብረ ዘይቲ ኻብ ዝብሃል፡ ንየሩሳሌም ከኣ መገዲ ሰንበት ዝኣክል ካብ ዝቐርብ ከረን፡ ናብ የሩሳሌም ተመልሱ። 13ምስ ኣተዉ ከኣ፡ ናብታ ደርቢ ደየቡ፡ ጴጥሮስን ዮሃንስን ያእቆብን እንድርያስን ፊልጶስን ቶማስን በርተሎሜዎስን ማቴዎስን ያእቆብ ወዲ እልፍዮስን ስምኦን ቀናእን ይሁዳ ወዲ ያእቆብን ብሓንሳእ ይነብሩ ነበሩ። 14እዚኣቶም ኲሎም ምስ ሓያሎ ኣንስትን ምስ ማርያም ኣደ የሱስን ምስ ኣሕዋቱን ኰይኖም ከየብኰሩ ሓቢሮም ይጽልዩ ነበሩ። 15በተን መዓልትታት እቲኣተን ሚእትን ዕስራን ዝኣኽሉ ሰብ ኣብኡ ተኣኪቦም ከለዉ፡ ጴጥሮስ ኣብ ማእከል እቶም ኣሕዋት ተንሲኡ በለ። 16ኣቱም ኣሕዋተይ፡ ብዛዕባ እቲ ነቶም ንየሱስ ዝሓዝዎ መራሕ መገዲ ዝዀኖም ይሁዳ፡ መንፈስ ቅዱስ ብኣፍ ዳዊት ቀደም ዝበላ ጽሕፈት ክትፍጸም ይግባእ እዩ። 17ምሳና ተቘጺሩ ነበረ እሞ፡ ነዚ ኣገልግሎት እዚ ኸኣ ተዓዲሉ ነበረ። 18እዚ በቲ ዓስቢ ዓመጻኡ ግራት ኣጥረየ፡ ብኣፍ ርሕሙ ተደፊኡ ኸኣ ኣብ ክልተ ተጨደ፡ ብዘሎ ኣምዑቱ ድማ ወጸ እሞ፡ 19-20ገዛኡ ይዖኑ፡ ኣብኡ ዝነብር ከኣ ኣይረኸብ፡ ሽመቱውን ካልእ ይውሰዳ፡ ዝብል ኣብ መጽሓፍ መዝሙር ጽሑፍ እዩ እሞ፡ እዚ፡ እታ ግራት እቲኣ ብዘረባኦም ኣከልደማ፡ ማለት ግራት ደም፡ ክሳዕ እትብሃል፡ ኣብ የሩሳሌም ንዝነብሩ ዂላቶም ተፈልጠ። 21-22ስለዚ ኻብ እዞም በቲ ጐይታና የሱስ ካብ ጥምቀት ዮሃንስ ጀሚሩ ኽሳዕ እታ ካባና ዝዓረገላ መዓልቲ ናባና ዝኣተወሉን ዝወጻሉን ኲሉ ዘመን ዝሰዓቡና ሰባት፡ ካብ እዚኣቶም ሓደ ብዛዕባ ትንሳኤኡ ምሳና ምስክር ክኸውን ይግባእ እዩ። 23ንኽልተ ኸኣ፡ ንበርሰባስ ዝብሃል ዮስጦስ ዝሰመይዎ ዮሴፍን ንማትያስን ደው ኣበልዎም እሞ፡ 24-25ዎ ልቢ ዂሉ እትፈልጥ ጐይታ፡ እዛ ይሁዳ ናብ ስፍራኡ ምእንቲ ክኸይድ፡ ዝሓደጋ ስፍራ ኣገልግሎትን ሃዋርያነትን ክቕበልሲ፡ ካብዞም ክልተ እዚኣቶም ዝሓሬኻዮ ሓደ ኣርኢ፡ ኢሎም ጸለዩ። 26ዕጭ ከኣ ኣውደቑሎም። እታ ዕጭ ድማ ናብ ማትያስ በጽሐት። ምስቶም ዓሰርተው ሓደ ሃዋርያትውን ተቘጽረ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ግ.ሃዋ. ምዕራፍ 2
1ኣብ መበል ሓምሳ መዓልቲ ድማ ኲላቶም ሓቢሮም ብሓንሳእ ነበሩ። 2ብድንገት ከኣ ከም ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ካብ ሰማይ ደሃይ መጸ፡ ነታ ኣብኣ ተቐሚጦም ዘለውዋ ቤትውን ንብዘላ መልኣ። 3እተመቓቐለ ልሳን ሓዊ ዝመስል ድማ ተራእዮም፡ ኣብ ልዕሊ ነነፍሲ ወከፎም ከኣ ተቐመጠ። 4ኲሎም ድማ መንፈስ ቅዱስ መልኦም፡ መንፈስ ቅዱስ ክዛረቡ ኸም ዝሃቦምውን ብኻልእ ቋንቋታት ክዛረቡ ጀመሩ። 5ኣብ ትሕቲ ሰማይ ካብ ዘለዉ ዂሎም ህዝቢ ሕያዎት ሰባት ኣብ የሩሳሌም ዝነብሩ ኣይሁድ ነበሩ። 6እዚ ደሃይ እዚ ምስ ኰነ፡ ብዙሕ ህዝቢ ተኣከበ። በብዘረባኦም ክዛረቡ ሰሚዖም ከኣ፡ ዝብልዎ ጠፍኦም። 7ኲላቶም ተገረሙን ተደነቑን፡ ከምዚ ኸኣ በሉ፡ እንሆ፡ እዞም ዝዛረቡ ዂሎም ገሊላውያንዶ ኣይኰኑን፧ 8ከመይ ኢልና ደኣ ኩላትና በበቲ እተወለድናሉ ቛንቋ ክዛረቡ ንሰምዖም ኣሎና፡ 9ንሕና ሰብ ጰርቴን ሰብ ሜዶንን ሰብ ኤላምን እቶም ኣብ መንጎ ክልተ ርባን ኣብ ይሁዳን ኣብ ቀጶዶቅያን ኣብ ጶንጦስን ኣብ እስያ ዝነብሩን፡ 10ኣብ ፍርግያን ኣብ ጰምፊልያን ኣብ ግብጽን ኣብ ዓድታት ሊብያ ጥቓ ቀሬንን ካብ ሮሜ ዝመጹ ማእከላይ ዓሌትን ኣይሁድን ጵሮሴሊታትን፡ 11ሰብ ቅሬጥስን ሰብ ዓረብን በብቛንቋና ብዛዕባ እቲ ዓብዪ ግብሪ ኣምላኽ ክዛረቡ ንሰምዖም ኣሎና። 12ኲላቶም ሰምቢዶም ንሓድሕዶም፡ እዚ ነገር እዝስ እንታይ ኰን ይኸውን፧ እናተባሃህሉ፡ ዝብልዎ ሰኣኑ። 13ገሊኦም ግና እናኣላገጹሎም፡ እዚኣቶም ጉዕ ሜስ ጸጊቦም እዮም፡ በሉ። 14ሽዑ ጴጥሮስ ምስቶም ዓሰርተው ሓደ ተንሲኡ፡ ድምጹ ዓው ኣቢሉ ተዛረቦም፡ ከምዚ ኢሉ፡ ኣቱም ሰብ ይሁዳን ኣብ የሩሳሌም እትነብሩ ዂላትኩምን፡ እዚ ኣባኻትኩም ይፈለጥ፡ ንቓለይ ድማ ጽን በሉ። 15ንመዓልቲ ሳልሰይቲ ሰዓት እያ እሞ፡ ከምዚ ንኣኻትኩም ዝመስለኩም ዘሎ፡ እዚኣቶም ስኹራት ኣይኰኑን። 16እዚ ግና እቲ ብነብዪ ዮኤል እተባህለ እዩ፡ 17በተን ዳሕሮት መዓልትታት ክኸውን እዩ፡ ይብል ኣምላኽ፡ ኣብ ልዕሊ ስጋ ዘበለ ኩሉ ካብ መንፈሰይ ከፍስስ እየ፡ ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን ክንበዩ፡ ኣጒባዝኩም ከኣ ራእይ ክርእዩ፡ ኣረገውትኹምውን ሕልሚ ኽሓልሙ እዮም። 18በተን መዓልትታት እቲኣተን ድማ ኣብ ሰብኡትን ኣንስትን ባሮተይ ካብ መንፈሰይ ከፍስስ እየ፡ ንሳቶም ከኣ ክንበዩ እዮም። 19ኣነ ድማ ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ ተኣምራት፡ ኣብ ታሕቲ ኣብ ምድሪ ከኣ ትእምርቲ ደምን ሓውን ጣቓን ክገብር እየ። 20እታ ዓባይን ግህድትን መዓልቲ ጐይታ ኸይመጸት፡ ጸሓይ ናብ ጸልማት ክትልወጥ እያ፡ ወርሒ ኸኣ ናብ ደም። 21ክኸውን ድማ እዩ፡ ስም እግዚኣብሄር ዝጽውዕ ዘበለ ኩሉ ክድሕን እዩ። 22ኣቱም ሰብ እስራኤል፡ እዚ ቓልዚ ስምዑ፡ ባዕላትኩም ድማ ከም እትፈልጡ፡ የሱስ ብዓል ናዝሬት፡ እቲ ኣምላኽ ኣብ ማእከልኩም ብእኡ ብዝገበሮ ሓይልን ተኣምራትን ትእምርትን ኣምላኽ ዝመስከረሉ ሰብኣይ፡ 23ነቲ ኸምቲ ውዱእ ምኽሪ ኣምላኽ ከምቲ ናይ ጥንቲ ፍልጠቱን ኣሕሊፎም ዝሃብዎ ወሲድኩም ብኢድ እቶም ሕጊ ዘይብሎም ሰቐልኩምዎን ቀተልኩምዎን። 24ሞት ሒዙ ከጽንዖ ስለ ዘይከኣለ ከኣ፡ ኣምላኽ ካብ ማእሰረ ሞት ፈቲሑ ኣተንስኦ። 25ዳዊት ብዛዕባኡ ይብል እዩ እሞ፡ ንእግዚኣብሄር ኲሉ ሳዕ ኣብ ቅድመይ እርእዮ፡ ንሱ ብየማነይ ስለ ዘሎ ኸኣ፡ ኣየንደልህጽን እየ። 26-27ንነፍሰይ ኣብ ሲኦል ኣይትሓድጋን ኢኻ፡ ንቕዱስካ ድማ ጥፍኣት ክርኢ ኣይትህቦን ኢኻ እሞ፡ ስለዚ ልበይ ተሓጐሰ ልሳነይ ከኣ እልል በለት፡ ስጋይውን ብተስፋ ክሓድር እዩ። 28መገዲ ህይወት ኣፍለጥካኒ፡ ኣብ ቅድሚ ገጽካ ኸኣ ሓጐስ ከተጽግበኒ ኢኻ። 29ኣቱም ኣሕዋትና፡ ብዛዕባ ዳዊት ርእሲ ኣቦታት፡ ንሱ ከም ዝሞተን ከም እተቐብረን፡ ንኣኻትኩም ብግሁድ ክንገር ግቡእ እዩ። መቓብሩ ኸኣ ክሳዕ ሎሚ ኣብ ማእከልና ኣሎ። 30እምብኣርከ ንሱ ነብዪ ዀይኑ፡ ሓደ ኻብ ፍረ ከርሱ ኣብ ዝፋኑ ክቕመጥ፡ ኣምላኽ ብማሕላ ከም ዝመሓለሉ ክንዲ ዝፈለጠ፡ 31ቅድም ርእዩ ብዛዕባ ትንሳኤ ክርስቶስ፡ ነፍሱ ኣብ ሲኦል ከም ዘይትተርፍ፡ ስጋኡ ኸኣ ጥፍኣት ከም ዘይርኢ፡ ተዛረበ። 32ኣምላኽ ነዚ የሱስ እዚ ኣተንሲእዎ፡ በዚ ንሕና ዂላትና ምስክር ኢና። 33ሕጂ ድማ ናብ የማን ኣምላኽ ልዕል ምስ በለ፡ ተስፋ መንፈስ ቅዱስ ከኣ ካብ ኣቦ ምስ ተቐበለ፡ ነዚ ንስኻትኩም እትርእይዎን እትሰምዕዎን ዘሎኹም ንሱ ኣፍሰሶ። 34-35ዳዊት ባዕሉ ደኣ፡ ጐይታ ንጐይታይ፡ ንጸላእትኻ መርገጽ እግርኻ ኽሳዕ ዝገብሮም ኣብ የማነይ ተቐመጥ፡ በሎ። ይብል እምበር፡ ንሱስ ናብ ሰማይ ኣይዓረገን። 36እምብኣርሲ ኣምላኽ ነዚ ንስኻትኩም ዝሰቐልኩምዎ የሱስ፡ ንእኡ ጐይታን ክርስቶስን ከም ዝገበሮ፡ ብዘላ ቤት እስራኤል ብርግጽ ትፍለጥ። 37ሽዑ፡ እዚ ምስ ሰምዑ፡ ልቦም ተወግአ እሞ፡ ንጴጥሮስን ነቶም ካልኦት ሃዋርያትን፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ እንታይ ንግበር፡ በልዎም። 38-39ጴጥሮስ ከኣ፡ እቲ ተስፋ ንኣኻትኩምን ንደቅኹምን ነቶም ኣብ ርሑቕ ዘለዉ ዂሎም፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዝጽውዖም ዘበሉን እዩ እተዋህበ እሞ፡ ተነስሑ ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ ብስም የሱስ ክርስቶስ ንሕድገት ሓጢኣት ይጠመቕ፡ ህያብ መንፈስ ቅዱስውን ክትቅበሉ ኢኹም በሎም። 40ካብዚ ቔናን ወለዶዚ ድሓኑ፡ እናበለ ኸኣ ብዙሕ ካልእ ቃል መስከረሎምን መዓዶምን። 41እቶም ሽዑ ዘረባኡ ባህ ኢልዎም እተቐበሉ ተጠምቁ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኣስታት ሰለስተ ሽሕ ነፍሳት ናብታ ማሕበር ተወሰኻ። 42ብትምህርቲ ሃዋርያትን ብሕብረትን ብምቑራስ እንጌራን ብጸሎትን ጸኒዖም ነበሩ። 43ኣብ ኲሉ ነፍሲ ፍርሃት ኰነ፡ ብዙሕ ተኣምራትን ትእምርትን ድማ ብሃዋርያት ተገብረ። 44እቶም ዝኣመኑ ዂላቶም ከኣ ብሓንሳእ ነበሩ፡ ዘለዎም ኲሉውን ብርኪ ነበረ። 45መሬቶምን ጥሪቶምን ይሸጡ፡ ንዂሎም ከኣ ከከም ዘድልዮም ይመቕልዎም ነበሩ። 46ኣብ ጸጽባሕ ብሕብረት ኣብ ቤተ መቕደስ ከየቛረጹ ጸኒዖም ይእከቡ ነበሩ፡ ኣብ ኣባይቲ እንጌራ እናቘረሱ፡ ብሓጐስን ብግሩህ ልብን ንኣምላኽ እናኣመስገኑ ብሓንሳእ ኰይኖም ይበልዑ ነበሩ። 47ኣብ ኲሉ ህዝቢ ኸኣ ዕድል ነበሮም። እግዚኣብሄር ድማ ዝድሕኑ ኣብ ጸጽባሕ ናብታ ማሕበር ይውስኽ ነበረ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ግ.ሃዋ. ምዕራፍ 3
1ጴጥሮስን ዮሃንስን ብታስዐይቲ ሰዓት ብግዜ ጸሎት ናብ ቤተ መቕደስ ብሓንሳእ ደየቡ። 2ካብ ከርሲ ኣዲኡ ሒዙ ኣእጋሩ ዝሞተ ሰብኣይ ካብቶም ናብ ቤተ መቕደስ ዝኣትው ምጽዋት ምእንቲ ክልምን፡ ጾይሮም ኣብ ጸጽባሕ ኣብታ ጽብቕቲ እትበሃል ደገ ቤተ መቕደስ የቐምጥዎ ነበሩ። 3ንሱ ከኣ ጴጥሮስን ዮሃንስን ናብ ቤተ መቕደስ ክኣትዉ ከም ዝደለዩ ምስ ረኣዮም፡ ክምጽዉቱሉ ለመኖም። 4ጴጥሮስ ምስ ዮሃንስ ኰይኑ ጠመቶ እሞ፡ ናባና ጠምት፡ በሎ። 5ንሱ ኸኣ ካባታቶም ገለ ዝረክብ መሲልዎ፡ ተኲሩ ጠመቶም። 6ጴጥሮስ ከኣ፡ ወርቅን ብሩርን የብለይን፡ እቲ ዘሎኒ ግና እህበካ፡ ብስም የሱስ ክርስቶስ ናዝሬታዊ ተንስእ እሞ ኺድ፡ በሎ። 7ብየማነይቲ ኢዱ ሒዙ ኸኣ ኣተንስኦ፡ ብኡ ብኡውን ኣእጋሩን ዓክዓካሪቶኡን ጸንዐ። 8ስር ኢሉ ከኣ ደው በለ ተዛወረውን። እናተዛወረን እናተሰራሰረን ንኣምላኽ እናኣመስገነን ከኣ ምሳታቶም ናብ ቤተ መቕደስ ኣተወ። 9ኲሎም እቶም ህዝቢ ድማ ንሱ ክኸይድን ንኣምላኽ ከመስግንን ከሎ ረኣይዎ። 10እቲ ኣብታ ጽብቕቲ ደገ ቤተ መቕደስ ተቐሚጡ ምጽዋት ዝልምን ዝነበረ ምዃኑ ኣለልዮምዎ፡ በቲ ኣብኡ ዝዀነ ነገር ብስምባድን ብምግራምን መልኡ። 11ኣብ ጴጥሮስን ዮሃንስን ለጊቡ ኸሎ ኸኣ፡ ኲሉ እቲ ህዝቢ እናተገረመ ኣብቲ ገበላ ሰሎሞን ዝብሃል ናባታቶም ጐየየ። 12ጴጥሮስ ግና ምስ ረኣዮም፡ ነቶም ህዝቢ መለሰሎም፡ ከምዚ ኢሉ፡ ኣቱም ሰብ እስራኤል፡ ንምንታይ በዚ ትግረሙ፡ ብገዛእ ሓይልና ወይስ ብጽድቅና ነዚ ክኸይድ ከም ዝገበርናዮስ፡ ንምንታይ ንኣና ትጥምቱ ኣሎኹም። 13ኣምላኽ ኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን፡ ኣምላኽ ኣቦታትና፡ ንወዱ የሱስ ኣኽበሮ፡ ጲላጦስ ክፍታሕ ምስ ፈረደሉ፡ ንስኻትኩም ንእኡ ኣሕሊፍኩም ሃብኩምዎን ኣብ ቅድሚኡ ኸሓድኩምዎን። 14እወ፡ ንስኻትኩም ነቲ ቅዱስን ጻድቕን ክሒድኩምሲ፡ ነቲ ነፍሲ ዝቐተለ ሰብኣይ ክምሕረልኩም ለመንኩም። 15ነቲ ራእሲ ህይወት ቀተልኩምዎ። ንእኡ ኣምላኽ ካብ ምውታት ኣተንስኦ፡ ንሕና ኸኣ፡ ነዚ ምስክሩ ኢና። 16ብስሙ ምእማን ከኣ፡ ስሙ ነዚ እትርእይዎን እትፈልጥዎን ሰብኣይ ኣጽንዖ፡ እታ ብእኡ ምእማን ድማ ነዚ ኣብ ቅድሚ ዂላትኩም ምሉእ ጥዕና ሃበቶ። 17ሕጂ ድማ፡ ኣሕዋተይ፡ ከምቶም መኳንንትኹም ነዚ ብዘይ ፍልጠት ከም ዝገበርኩምዎ፡ እፈልጥ ኣሎኹ። 18ግናኸ ክርስቶስ መከራ ከም ዝረክብ፡ ኣምላኽ ቅድም ብኣፍ ኲላቶም ነብያት ዝነገሮ ኸምኡ ፈጸሞ። 19እምበኣርስኸ ሓጢኣትኩም ምእንቲ ክድምስሰልኩም፡ ካብ ገጽ እግዚኣብሄር ከኣ ዘመን ዕረፍቲ ምእንቲ ክመጻልኩም፡ 20ነቲ ቕድም ንኣኻትኩም እተሓርየ ክርስቶስ ከኣ ምእንቲ ክሰደልኩምሲ፡ ተነስሑን ተመለሱን። 21ክሳዕ እቲ፡ ኣምላኽ ካብ ጥንቲ ብኣፍ ቅዱሳን ነብያቱ እተዛረቦ ዘመን ምቕናዕ ኲሉ፡ ሰማይ ንየሱስ ክትቅበሎ ይግባእ እዩ። 22ሙሴ ድማ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከም ዝኸማይ ዝበለ ነብዪ ካብ ኣሕዋትኩም ከተንስኣልኩም እዩ እሞ፡ ንሱ ዝብለኩም ዘበለ ኩሉ ስምዑ። 23ክኸውን ከኣ እዩ፡ ነቲ ነብዪ እቲ ዘይትሰምዕ ዘበለት ነፍሲ ካብ ህዝባ ኽትምንቈስ እያ፡ በለ። 24ኲላቶም ነብያት ድማ ካብ ሳሙኤል ሒዞም ክሳዕ እቶም ድሕሪኦም እተዛረቡ ኩላቶም፡ እዘን መዓልትታት እዚኣተን እዮም ዘበሰሩ። 25ንስኻትኩም ውሉድ ነብያትን ውሉድ እቲ፡ ኣምላኽ ንኣብርሃም፡ ኲሎም ኣህዛብ ምድሪ ብዘርእኻ ክባረኹ እዮም፡ ኢሉ ምስ ኣቦታትና ዝኣተዎ ኪዳንን ኢኹም። 26ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍኩም ካብ ክፍኣቱ እናመለሰ ምእንቲ ክባርኸኩምሲ፡ ንወዱ ኣተንሲኡ ቅድሚ ኩሉ ናባኻትኩም ለኣኾ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ግ.ሃዋ. ምዕራፍ 4
1ንህዝቢ ኽነግሩ ኸለዉ፡ ካህናትን ሓለቓ ሓለውቲ ቤተ መቕደስን ሰዱቃውያንን መጽዎም፡ 2ንህዝቢ ስለ ዝመሃሩን፡ ትንሳኤ ኻብ ምውታት ብየሱስ ስለ ዝሰበኹን፡ ሓሪቖም፡ 3ኢዶም ዘርጊሖም ሓዝዎም፡ ምድሪ መስዩ ነበረ እሞ፡ ክሳዕ ንጽብሒቱ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተውዎም። 4ካብቶም ነቲ ቓሎም ዝሰምዕዎ ብዙሓት ኣመኑ። ቁጽሪ እቶም ሰብኡት ከኣ ኣስታት ሓሙሽተ ሽሕ ኰነ። 5-6ንጽብሒቱ ድማ ዀነ፡ መኳንንቶምን ዓበይቶምን ጸሓፍቶምን ምስኦም ድማ ሃና ሊቀ ኻህናትን ቀያፋን ዮሃንስን እስኪንድሮስን ካብ ዓሌት ሊቃውንቲ ኻህናት ዘበሉ ዅሎምን ኣብ የሩሳሌም ተኣከቡ። 7ኣብ ማእከል ደው ኣቢሎም ድማ፡ በየናይ ሓይሊ ወይስ በየናይ ስም ኢኹም ነዚ ዝገበርኩምዎ፡ ኢሎም ሓተትዎም። 8ሽዑ ጴጥሮስ መንፈስ ቅዱስ መልኦ እሞ በሎም፡ ኣቱም መኳንንቲ ህዝብን ዓበይትን፡ 9ሎሚ ንሕና ንሓደ ሕሙም ሰብኣይ ብዝዀነ ጽቡቕ ግብሪ ንሱውን ብዝሓወየሉ ኻብ እንምርመር፡ 10ብስም እቲ ንስኻትኩም ዝሰቐልኩምዎ እሞ፡ ኣምላኽ ካብ ምውታት ዘተንስኦ የሱስ ክርስቶስ ናዝሬታዊ፡ ብእኡ እዚ ኣብ ቅድሜኹም ጥዕዩ ደው ኢሉ ኸም ዘሎ፡ ኣብ ኲላትኩምን ኣብ ኲሉ ህዝቢ እስራኤልን ይፈለጥ። 11እቲ ንስኻትኩም ነደቕቲ ዝነዓቕኩምዎ እሞ ርእሲ መኣዝን ዝዀነ እምኒ፡ ንሱ እዩ። 12ብእኡ ኽንድሕን ዝግባእ ካልእ ስም ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንሰብ ኣይተዋህበን እሞ፡ ምድሓን ብሓደ ኻልእ ከቶ የልቦን። 13ትብዓት ጴጥሮስን ዮሃንስን ምስ ረኣዩ ዘይተማህሩ ጭዋታት ሰባት ምዃኖም ከኣ ምስ ተረድኡ፡ ገረሞም፡ ምስ የሱስ ከም ዝነበሩ ድማ ኣለለይዎም። 14እቲ ዝሓወየ ሰብኣይ፡ ምስኦም ደው ኢሉ ምስ ረኣይዎ፡ ዝዛረብዎ ሰኣኑ። 15-16ኻብ ዋዕላ ኸግልሱ ኣዘዝዎም እሞ፡ ኣሉ ኽንብላ ዘይዀነልና፡ ኣብ የሩሳሌም ኣብ ዝነብሩ ዂላቶም እተጋህደት ፍልጥቲ ተኣምራት ብኣታቶም ተገይራ እያ እሞ፡ ነዞም ሰባት እዚኣቶም እንታይ ክንገብር ኢና፡ ኢሎም ተመኻኸሩ። 17ኣብ ህዝቢ ምእንቲ እምብዛ ኸይውረ ግና፡ ደጊም ንሓደ ሰብ እኳ ኸይነግሩ ኣምሪርና ንግንሓዮም፡ በሉ። 18ጸዊዖም ድማ፡ ብስም የሱስ ንሓደ እኳ ኸይነግሩ ወይስ ከይምህሩ፡ ኣዘዝዎም። 19-20ጴጥሮስን ዮሃንስን ግና፡ ንሕናስ ነቲ ዝርኣናዮን ዝሰማዕናዮን ምዝራቡ ኽንሓድግ ኣይኰነልናን እዩ እሞ፡ ካብ ኣምላኽ ንኣኻትኩም ምእዛዝ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅኑዕ እንተ ዀይኑስ፡ እስኪ ባዕላትኩም ፍረዱ፡ በልዎም። 21-22እቲ ናይ ምጥዓይ ተኣምራት እተገብረሉ ሰብኣይ፡ ዕድሚኡ ልዕሊ ኣርብዓ ዓመት ስለ ዝነበረ፡ ኲሎም በቲ ዝዀነ ንኣምላኽ የመስግኑ ነበሩ እሞ፡ ንሳቶምውን ብዛዕባ እቲ ህዝቢ ኸመይ ገይሮም ከም ዝቐጽዕዎም ምስ ሰኣኑ፡ ኣፈራሪሆም ሓደግዎም። 23ምስ ተፈትሑ ኸኣ፡ ናብ ሰቦም ከይዶም፡ ሊቃውንቲ ኻህናትን ዓበይትን ዝበልዎ ዂሉ፡ ተዛረብዎም። 24እዚ ምስ ሰምዑ፡ ብሓንሳእ ሓቢሮም ድምጾም ናብ ኣምላኽ ኣልዒሎም በሉ፡ ዎ ሰማይን ምድርን ባሕርን ኣባታተን ዘሎ ዂሉን ዝገበርካ ጐይታ፡ 25ከምቲ ብመንፈስ ቅዱስ ብኣፍ ኣቦና ዳዊት ባርያኻ፡ ስለምንታይ ኣህዛብ ሓረቑ፡ ህዝብስ ከንቱ ሓሰቡ፧ 26ነገስታ ምድሪ ተላዕሉ፡ እቶም መኳንንቲ ድማ ንእግዚኣብሄርን ንመሲሁን ክጻረሩ ብሓደ ተኣከቡ፡ ዝበልካዮ፡ 27-28እቲ ኢድካን ምኽርኻን ክኸውን ኢሉ፡ ቅድም ዝመደቦ ምእንቲ ኽገብሩ፡ ብሓቂ ሄሮድስን ጶንጥዮስ ጲላጦስን ምስ ኣህዛብን ምስ ዓሌታት እስራኤልን ኰይኖም፡ ነቲ ንስኻ ዝቐባእካዮ ቅዱስ ወድኻ የሱስ ክርስቶስ ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ንምጽራር ተኣከቡ። 29-30ሕጂ ድማ፡ ጐይታይ፡ ናብ ምፍርራሆም ርኤ፡ ብስም እቲ ቅዱስ ወድኻ የሱስ፡ ምሕዋይ ሕሙማትን ትእምርትን ተኣምራትን ክኸውን፡ ኢድካ ዘርግሕ፡ ንባሮትካ ድማ ብዂሉ ትብዓት ቃልካ ኽዛረቡ ሃቦም። 31ምስ ለመኑ ኸኣ፡ እታ ተኣኪቦምላ ዘለዉ ስፍራ ተናወጸት፡ ኲላቶም ከኣ መንፈስ ቅዱስ መልኡ፡ ቃል ኣምላኽውን ብትብዓት ተዛረቡ። 32እቶም ዝኣመኑ ዂላቶም ሓንቲ ልብን ሓንቲ ነፍስን ነበሩ፡ ብዂሉ ብርኪ ነበሩ እምበር፡ ሓደ እኳ ኻብ ገንዘቡ፡ እዚ ናተይ እዩ፡ ዝብል ኣይነበሮምን። 33ሃዋርያት ከኣ ብብዙሕ ሓይሊ ብዛዕባ ትንሳኤ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ይምስክሩ ነበሩ፡ ኣብ ኲሎም ከኣ ዓብዪ ጸጋ ነበረ። 34-35ኲላቶም መሬት ወይስ ኣባይቲ ዘለዎም ዘበለ ሸይጦም፡ ንዋጋ እቲ እተሸጠ የምጽእዎ ነበሩ እሞ፡ ኣብ ጥቓ እግሪ ሃዋርያት የንብርዎ፡ ንነፍሲ ወከፍ ከኣ ከከም ዘድልዮ ይመቕልዎ ነበሩ፡ ስለዚ ሓደ ሽጉር እኳ ኣይነበሮምን። 36ዮሴፍ ከኣ፡ ብሃዋርያት በርናባስ እተባህለ፡— ወዲ ምጽንናዕ ዝትርጒሙ፡— ሌዋዊ፡ ቆጵሮስ ዝዓሌቱ፡ 37ነቲ ዘለዎ ግራት ሸይጡ፡ ነቲ ገንዘብ ኣምጺኡ ኣብ ጥቓ እግሪ ሃዋርያት ኣንበሮ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ግ.ሃዋ.ምዕራፍ 5
1ሃናንያ ዝስሙ ሰብኣይ ምስ ሰጲራ ሰበይቱ ምድሩ ሸጠ። 2ካብቲ ዋጋኡ ኸኣ ምስ ሰበይቱ ተማኺሩ መቒሉ ኣትረፈ፡ ነቲ ሓደ ምቃል ድማ ኣብ ጥቓ እግሪ ሃዋርያት ኣንበሮ። 3ጴጥሮስ ከኣ፡ በል ሃናንያ፡ ንመንፈስ ቅዱስ ክትሕሱ ኻብ ዋጋ እቲ ምድሪ ኸኣ መቒልካ ኽትሓብእሲ፡ ስለምንታይ ሰይጣን ንልብኻ መልኦ፧ 4ከይተሸጠስ ናትካዶ ኣይነበረን፧ ምስ ሸጥካዮስ፡ ኣብ ኢድካዶ ኣይነበረን፧ ከመይ ጌርካኸ ነዚ ነገርዚ ብልብኻ ሓሰብካዮ፧ ንኣምላኽ እምበር፡ ንሰብ ኣይሓሶኻን፡ በሎ። 5ሃናንያ እዚ ቓልዚ ምስ ሰምዐ፡ ወደቐ፡ ነፍሱ ኸኣ ወጸት። እቶም እዚ ዝሰምዑ ዘበሉ ዂሎም ከኣ ኣዝዮም ፈርሁ። 6ኣጒባዝ ድማ ተንሲኦም ገነዝዎ፡ ተሰኪሞም ኣውጺኦምውን ቀበርዎ። 7ኰነ ኸኣ፡ ብድሕሪኡ ኣስታት ሰለስተ ሰዓት ኣቢሉ ሰበይቱ፡ እቲ ዝዀነ ኸይፈለጠት፡ ኣተወት። 8ጴጥሮስ ከኣ፡ እስኪ ንገርኒ፡ ንመሬትኩምዶ በዚ ኽንድዚ ኢኹም ዝሸጥኩምዎ፧ ኢሉ መለሰላ። ንሳ ኸኣ፡ እወ፡ በዚ ኽንድዚ እዩ፡ በለት። 9ጴጥሮስ ድማ፡ ከመይከ መንፈስ እግዚኣብሄር ንምፍታን እተሰማማዕኩም፧ ኣእጋር እቶም ንሰብኣይኪ ዝቐበሩ እንሆ፡ ኣብ ደገ ኣለዋ፡ ንኣኺ ድማ ከውጽኡኺ እዮም፡ በላ። 10ብኡብኡ ኣብ ጥቓ እግሩ ወደቐት እሞ ነፍሳ ወጸት። እቶም ኣጒባዝ ምስ ኣተዉ፡ ሞይታ ጸንሓቶም፡ ተሰኪሞም ኣውጺኦም ከኣ ኣብ ጥቓ ሰብኣያ ቐበርዋ። 11ኣብ ብዘላ እታ ማሕበርን ኣብቶም ነዚ ነገርዚ ዝሰምዑ ዘበሉ ዂላቶምን ከኣ ብዙሕ ፍርሃት ኰነ። 12ብኢድ ሃዋርያት ድማ ብዙሕ ትእምርትን ተኣምራትን ኣብ ማእከል እቲ ህዝቢ ተገብረ፡ ኲላቶም ድማ ብሓንቲ ልቢ ሓቢሮም ኣብ ገበላ ሰሎሞን ነበሩ። 13ካብቶም ካልኦት ደፊሩ እተጸምበሮም ኣይነበረን፡ እቲ ህዝቢ ግና የኽብሮም ነበረ። 14ዝበለጸ እኳ ብዙሓት ሰብኡትን ኣንስትን ብጐይታ ዝኣምኑ ይውሰኽዎም ነበሩ፡ 15ጴጥሮስ ክሓልፍ ከሎ፡ ጽላሎቱ ኣብ ገሊኦም ምእንቲ ኽወድቕ ኢሎም፡ ንሕሙማት ኣብ ዓራትን ኣብ ቃሬዛን ገይሮም፡ ተሰኪሞም ናብ ኣደባባይ የውጽእዎም ነበሩ። 16ኣብ ዙርያ የሩሳሌም ካብ ዘለዋ ኸተማታት ከኣ ብዙሓት ተኣኪቦም ይጒዓዙ ነበሩ፡ ሕሙማትን ብርኹሳት መናፍስቲ ዝሳቐዩን ድማ ኣምጽኡ ዂላቶምውን ሓወዩ። 17ሽዑ እቲ ሊቀ ኻህናት ምስቶም ምስኡ ዝነበሩ ዂላቶም ኰይኑ፡— ንሳቶም ከኣ ሻራ ሰዱቃውያን እዮም፡— ቅንኣት መሊእዎም ተንስኡ። 18ኣእዳዎም ዘርጊሖም ንሃዋርያት ሓዝዎም፡ ናብ ቤት ማእሰርቲ ህዝቢውን ኣእተውዎም። 19-20መልኣኽ እግዚኣብሄር ግና ብለይቲ ማዕጾ ቤት ማእሰርቲ ኸፊቱ ንወጻኢ ኣውጺኡ፡ ኪዱ፡ ኣብ ቤተ መቕደስ ደው ኢልኩም፡ እዚ ዂሉ ቓል ህይወት ንህዝቢ ንገሩ፡ በሎም። 21እዚ ምስ ሰምዑ፡ ኣብ ምውጋሕ ምድሪ ናብ ቤተ መቕደስ ኣትዮም መሃሩ። እቲ ሊቀ ኻህናት እቶም ምስኡ ዘለዉን ግና መጹ፡ እቶም ዋዕላን ኲሎም ዓበይቲ ደቂ እስራኤልን ድማ ክእከቡ ጸውዑ። ከምጽእዎም ከኣ ናብ ቤት ማእሰርቲ ለኣኹ። 22-23እቶም ገላዉ ግና ምስ መጹ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣይረኸብዎምን፡ ተመሊሶም፡ እቲ ቤት ማእሰርቲ ተዓጽዩ ብዂሉ ድማ ገጢሙ፡ እቶም ሓለዉቲውን ኣብ ኣፍ ደገ ደው ኢሎም ጸኒሖምና፡ ምስ ከፈትናዮ ግና፡ ኣብ ውሽጡ ሓደ እኳ ኣይረኸብናን፡ ኢሎም ነገርዎም። 24እቲ ሓለቓ ሓለውቲ ቤተ መቕደስን ሊቃውንቲ ኻህናትን እዚ ነገርዚ ምስ ሰምዑ፡ እንታይ ኰን ይኸውን እዚ፧ ኢሎም፡ ብዛዕባኦም ዝብልዎ ሰኣኑ። 25ሓደ መጺኡ ግና፡ እቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘእቶኹምዎም ሰባትሲ፡ እነዉ፡ ኣብ ቤተ መቕደስ ደው ኢሎም ንህዝቢ ይምህሩ ኣለዉ፡ ኢሉ ነገሮም። 26ሽዑ እቲ ሓለቓ ሓለውቲ ቤተ መቕደስ ምስቶም ገላዉኡ ኸይዱ ኣምጽኦም፡ እቲ ህዝቢ ብዳርባ እምኒ ኸይቀትሎም ስለ ዝፈርሁ ግና ኣየጋፍዕዎምን። 27-28ምስ ኣምጽእዎም፡ ኣብቲ ዋዕላ ደው ኣበልዎም። እቲ ሊቀ ኻህናት ድማ፡ በዚ ስም እዚ ኸይትምህሩዶ ኣምሪርና ኣይከልከልናኩምን፧ እንሆ ኸኣ፡ ንየሩሳሌም ብትምህርትኹም መሊእኩምዋ ደም እቲ ሰብኣይ እቲ ናብ ልዕሌና ኸተምጽኡ ትደልዩ ኣሎኹም፡ ኢሉ መርመሮም። 29ጴጥሮስን ሃዋርያትን ግና፡ ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ምእዛዝ እዩ ዝግባእ። 30ነቲ ንስኻትኩም ኣብ ዕጸይቲ ሰቒልኩም ዝቐተልኩምዎ የሱስ፡ ኣምላኽ ኣቦታትና ኣተንስኦ። 31ንእስራኤል ንስሓን ሕድገት ሓጢኣትን ምእንቲ ኽህብሲ ኣምላኽ ንእኡ ራእስን መድሓንን ገይሩ ናብ የማኑ ልዕል ኣበሎ። 32ንሕና ድማ ነዚ ነገርዚ ምስክር ኢና፡ እቲ፡ ኣምላኽ ነቶም ዝእዘዝዎ ዝሃቦም መንፈስ ቅዱስውን ምስክር እዩ፡ ኢሎም መለሱሎም። 33እዚ ምስ ሰምዑ፡ ሓረቑ ክቐትልዎም ድማ ተማኸሩ። 34ግናኸ ሓደ ኣብቲ ዂሉ ህዝቢ ዝኸበረ መምህር ሕጊ፡ ገማልኤል ዝስሙ ፈሪሳዊ፡ ኣብቲ ዋዕላ ተንሲኡ፡ ንሃዋርያት ሓንሳእ ከግልስዎም ኣዘዘ፡ 35በሎም ድማ፡ ኣቱም ሰብ እስራኤል፡ ኣብዞም ሰባት እዚኣቶም ክትገብርዎ እትሓስብዎ ዘሎኸም ተጠንቀቑሉ። 36ቅድሚ እዚ ወርሓት እዚ ቴዎዳስ፡ ኣነ ዓብዪ እየ፡ ኢሉ ተንስኤ፡ ኣርባዕተ ሚእቲ ዝኣኽሉ ሰባት ከኣ ሰዓብዎ። ንሱ ጠፍአ፡ እቶም ዝሰዓብዎ ዘበሉ ድማ ተበተኑ፡ ከም ዘይነበሩውን ኰኑ። 37ብድሕሪኡ ይሁዳ፡ እቲ ገሊላዊ፡ በተን ቅነ ጽሕፈት ግብሪ ተንስኤ፡ ብዙሕ ህዝቢ ኸኣ ኣስድዐ። ንሱውን ጠፍአ፡ እቶም እተኣዘዝዎ ዘበሉ ዂሎም ድማ ተዘርዉ። 38-39ሕጂ ኸኣ፡ እዚ ምኽሪ እዝን እዚ ግብሪ እዝን ካብ ሰብ እንተ ዀይኑ፡ ክፈርስ እዩ። ካብ ኣምላኽ እንተ ዀይኑ ግና፡ ግብሮም ከተፍርሱ ኣይትኽእሉን ኢኹም እሞ፡ ምስ ኣምላኽ ክትብኣሱ ኸይትርከቡስ፡ ነዞም ሰባት እዚኣቶም ሕደግዎም፡ ገለ ኣይትበልዎም፡ እነግረኩም ኣሎኹ። 40ሕራይ ከኣ ኣበሎም። ንሃዋርያት ጸዊዖም ገረፍዎም፡ ብስም የሱስ ከይዛረቡ ኣዚዞም ከኣ ሓደግዎም። 41ንሳቶም ግና ምእንቲ ስሙ ኽሓስሩ ብቑዓት ኰይኖም ስለ እተቘጽሩ፡ ካብ ቅድሚ እቶም ዋዕላ እናተሓጐሱ ኸዱ። 42ኣብ ቤተ መቕደስ ኣብ በቤትን ብስራት የሱስ ክርስቶስ ምምሃርን ምስባኽን ኣየብኲሩን ነበሩ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ግ.ሃዋ. ምዕራፍ 6
1በቲ ቕነቲ ደቀ መዛሙርቲ ምስ በዝሑ፡ እቶም ኣይሁድ ጽርኢ በቲ ምምቃል ምግቢ ዕለት፡ ንመበለታቶም ስለ ዝጐሰይወን፡ ኣብቶም እብራውያን ኣጒረምረሙ። 2ሽዑ እቶም ዓሰርተዉ ክልተ ንዂሎም ደቀ መዛሙርቲ ኣኪቦም፡ ንሕና ቓል ኣምላኽ ሓዲግናስ ኣብ መኣዲ ኸነገልግል ዝግባእ ኣይኰነን። 3ስለዚ ኣቱም ኣሕዋት፡ ካባኻትኩም ብጽቡቕ እተመስከረሎም መንፈስን ጥበብን ዝመልኦም ሾብዓተ ሰብኣይ ሕረዩ፡ ነዚ ጒዳይ እዚ ኸኣ ነመዝዞም፡ 4ንሕና ግና ጸሎትን ኣገልግሎት እዚ ቓል እዝን ከየብኰርና ንሓዝ፡ በልዎም። 5እዚ ዘረባ እዚ ንዂሉ እቲ ህዝቢ ባህ ኣበሎ። ነቲ እምነትን መንፈስ ቅዱስን ዝመልኦ ሰብኣይ፡ እስጢፋኖስን ንፊልጶስን ንጵሮኮሮስን ንኒቃኖርን ንጢሞንን ንጰርሜናስን ነቲ ጵሮሴሊት፡ ኒቆላዎስ ብዓል ኣንጾኪያን ሓረዩ። 6ኣብ ቅድሚ ሃዋርያት ከኣ ደው ኣበልዎም፡ እናጸለዩውን ኣእዳዎም ኣንበሩሎም። 7ቃል ኣምላኽ ድማ ተዘርግሐ፡ ቁጽሪ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ ኣብ የሩሳሌም ኣዝዩ እናበዝሐ ኸደ። ብዙሓት ካብ ካህናትውን ንእምነት ተኣዘዙ። 8እስጢፋኖስ ድማ ጸጋን ሓይልን መሊእዎ ነበረ እሞ፡ ኣብ ማእከል እቲ ህዝቢ ዓበይቲ ትእምርትን ተኣምራትን ይገብር ነበረ። 9ሊቤርጢኖን ካብ እትብሃል ቤት ጸሎትን ካብ ቄሬኔዎንን ካብ እስኪንድርያን ካብ ቂልቅያን ካብ እስያን ግና ንእስጢፋኖስ ተንስእዎ ይከራኸርዎ ኸኣ ነበሩ። 10ነቲ ዝዛረበሉ ዝነበረ ጥበብን መንፈስን ግና ክማጐትዎ ኣይተኻእሎምን። 11ሽዑ ኸኣ፡ ንሕና ኣብ ሙሴን ኣብ ኣምላኽን ቃል ጸርፊ ኽዛረብ ከሎ ሰሚዕናዮ፡ ዝብሉ ሰባት ሓበሉ። 12ንህዝብን ንዓበይትን ንጻሓፍትን ኣነዓቡ፡ መጺኦም ከኣ መንዚዖም ናብ ዋዕላ ወሰድዎ እሞ፡ 13-14እዚ ሰብኣይ እዚ፡ የሱስ፡ እቲ ብዓል ናዝሬት፡ ነዛ ስፍራ እዚኣ ኸፍርሳ፡ ነቲ ሙሴ ዝሃበና ስርዓት ከኣ ክልውጦ እዩ፡ ክብል ከሎ ሰሚዕናዮ ኣሎና እሞ፡ ነዛ ቅድስቲ ስፍራ እዚኣን ንሕግን ቃላት ጸርፊ ኻብ ምዝራብ ከቶ ኣይዓርፍን እዩ፡ ዝብል ምስክር ሓሶት ኣተንስኡሉ። 15እቶም ኣብቲ ዋዕላ ተቐሚጦም ዝነበሩ ዂላቶም ድማ ጠመትዎ እሞ ገጹ ኸም ገጽ መልኣኽ ኰይኑ ተራእዮም።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ግ.ሃዋ. ምዕራፍ 7
1እቲ ሊቀ ኻህናት ከኣ፡ እዚ ነገር ከምኡ ድዩ፧ በሎ። 2ንሱ ግና በለ፡ ኣቱም ኣሕዋትናን ኣቦታትና፡ ስምዑ። ነቦና ኣብርሃም፡ ገና ኣብ ካራን ከይተቐመጠ ኣብ መሰጶታምያ ኸሎ፡ ኣምላኽ ክብሪ ተራእዮ እሞ፡ 3ካብ ምድርኻን ካብ ኣዝማድካን ውጻእ፡ ናብቲ ኣነ ዘርእየካ ምድሪ ንዓ፡ በሎ። 4ሽዑ ኻብ ምድሪ ከለዳውያን ወጺኡ ኣብ ካራን ተቐመጠ። ኣቦኡ ምስ ሞተ ኸኣ፡ ኣምላኽ ካብኡ ናብዚ ሕጂ ዘሎኹምዎ ምድሪ ኣግዓዞ። 5ኣብኡ ድማ መርገጽ እግሪ ዝኣክል እኳ ርስቲ ኣይሃቦን፡ ውሉድ ዘይብሉ ኽነሱስ፡ እቲ ምድሪ ንእኡን ብድሕሪኡውን ንዘርኡን ከም ዘረስትዮ፡ ኣተስፈዎ። 6ኣምላኽ ድማ ከምዚ ኢሉ ተዛረበ፡ ዘርእኻ ኣብ ካልእ ምድሪ ስደተኛ ክኸውን እዩ፡ ክገዝእዎ ኣርባዕተ ሚእቲ ዓመትውን ከጽብቡሉ እዮም፡ 7ነቶም ዝገዝእዎም ህዝቢ ኸኣ ኣነ ኽፈርዶም እየ፡ በለ ኣምላኽ፡ እንድሕርዚ ኻብኡ ኽወጹ እሞ ኣብዛ ስፍራ እዚኣ ኸገልግሉኒ እዮም። 8ኪዳን ግዝረት ከኣ ሃቦ። ከምኡ ድማ ንይስሃቅ ወለዶ እሞ ኣብ ሳምነይቲ መዓልቲ ገዘሮ። ይስሃቅ ድማ ንያእቆብ ወለዶ፡ ያእቆብ ከኣ ንዓሰርተው ክልተ ርእሲ ኣቦታት ወለዶም። 9እቶም ርእሲ ኣቦታት ድማ ንዮሴፍ ቀኒኦምሉ ናብ ግብጺ ሸጥዎ፡ ኣምላኽ ግና ምስኡ ነበረ። 10ካብ ኲሉ ጸበባኡ ኸኣ ኣርሃወሉ፡ ኣብ ቅድሚ ፈርኦን ንጉስ ግብጺ ድማ ዕድልን ጥበብን ሃቦ። ንሱውን ኣብ ግብጽን ኣብ ኲሉ ቤቱን ኣርኣሶ። 11ኣብ ኲሉ ግብጽን ከነኣንን ከኣ ጥሜትን ብዙሕ ጸበባን ኰነ። ኣቦታትና ድማ ዝምገብዎ ሰኣኑ። 12ሽዑ ያእቆብ ኣብ ግብጺ እኽሊ ኸም ዝርከብ ምስ ሰምዐ፡ ነቦታትና ቐዳማይ ግዜ ለኣኾም። 13ኣብ ካልኣዮም ከኣ ንዮሴፍ ኣሕዋቱ ኣለለይዎ፡ ዓሌቱውን ኣብ ፈርኦን ተፈልጠ። 14ዮሴፍ ከኣ ነቦኡ ያእቆብን ነቶም ሰብዓን ሓሙሽተን ነፍሲ ዝዀኑ ዂሎም ኣዝማዱን ልኢኹ ጸውዖም። 15ያእቆብ ድማ ናብ ግብጺ ወረደ፡ ንሱ ሞተ ኣቦታትናውን ሞቱ። 16ናብ ሰኬም ድማ ኣግዓዝዎም፡ ኣብቲ ኣብርሃም ካብ ደቂ ኤሞር ብወርቂ ዝዓደጎ መቓብር ኣብ ሰኬም ቀበርዎ። 17-18ክሳዕ ንዮሴፍ ዘይፈልጦ ኻልእ ንጉስ ኣብ ግብጺ ዝትንስእ፡ እቲ ኣምላኽ ንኣብርሃም ዝመሓለሉ ዘመን ተስፋ እናቐረበ፡ እቲ ህዝቢ ኣብ ግብጺ ዓመረን በዝሐን 19እዚ ንጉስ እዚ ንዓሌትና ተተናዀሎም፡ ነቦታትና ኸኣ፡ ሕጻናቶም ምእንቲ ኸይዓብዩ፡ ክሳዕ ዝድርብዩ ጨቈኖም። 20በቲ ዘመን እቲ ሙሴ ተወልደ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከኣ ጽቡቕ ነበረ፡ ሰለስተ ወርሒውን ኣብ ቤት ኣቦኡ ተመገበ። 21ምስ ተደርበየ ግና፡ ጓል ፈርኦን ኣልዓለቶ፡ ወዳ ክኸውን ከኣ ኣዕበየቶ። 22ሙሴ ድማ ኲሉ ጥበብ ግብጻውያን ተማህረ፡ ብቓሉን ብግብሩን ከኣ በርትዐ። 23ወዲ ኣርብዓ ዓመት ምስ ኰነ ድማ፡ ነሕዋቱ ደቂ እስራኤል ክበጽሕ ኣብ ልቡ ሓሳብ ኣተዎ። 24ካባታቶም ሓደ ኸም እተዓመጸ ምስ ረኣየ ድማ፡ ሕነ እቲ ዕሙጽ ዘርዩ ነቲ ግብጻዊ ቐተሎ። 25እቶም ኣሕዋቱ ግዳ ኣየስተውዓልዎን እምበር፡ ኣምላኽ ብኢዱ ገይሩ ምድሓን ከም ዝህቦም፡ ዘስተውዕሉ ይመስሎ ነበረ። 26ንጽብሒቱ ኸኣ ንሓድሕዶም ክብኣሱ ኸለዉ፡ መጾም። ከተዓርቖም ደልዩ ኸኣ፡ ኣቱም ሰባት፡ ኣሕዋት ኢኹም፡ ከመይከ ንሓድሕድኩም እትተዓማመጹ፧ በሎም። 27-28እቲ ንብጻዩ ዝዕምጾ ዝነበረ ግና፡ ንኣኻ መን ሓለቓን ፈራድን ገይሩ፡ ኣባና ሸይሙካ፧ ከምቲ ትማሊ ነቲ ግብጻዊ ዝቐተልካዮዶ ኽትቀትለኒ ትደሊ ኣሎኻ፧ ኢሉ ደፍኦ። 29ሙሴ ድማ ብዛዕባ እዚ ዘረባ እዚ ሃደመ፡ ኣብ ምድሪ ምድያን ድማ ስደተኛ ዀነ፡ ኣብኡ ኸኣ ክልተ ኣወዳት ወለደ። 30ኣርብዓ ዓመት ምስ መልአ ድማ፡ ኣብ በረኻ ደብረ ሲና መልኣኽ ብዝነድድ ኣሻዂ ቈጥቋጥ ተራእዮ። 31-32ሙሴ እዚ ትርኢት እዚ ምስ ረኣየ፡ ተገረመ፡ ክጥምቶ እንተ ቐረበ ድማ፡ ኣነ ኣምላኽ ኣቦታትካ፡ ኣምላኽ ኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን እየ፡ ዝብል ድምጺ እግዚኣብሄር ተሰምዐ። ሽዑ ሙሴ ኣንቀጥቀጠ ኽጥምት ከኣ ኣይደፈረን። 33እግዚኣብሄር ድማ፡ እዛ ደው ኢልካያ ዘሎኻ ቦታ ቅድስቲ ምድሪ እያ እሞ፡ ኣሳንእንካ ኣውጽእ። 34መከራ እቶም ኣብ ግብጺ ዘለዉ ህዝበይ ኣጸቢቐ ርኤኹ እህህታኦም ከኣ ሰማዕኩ ኸውጽኦምውን ወረድኩ፡ ሕጂ ኸኣ ናብ ግብጺ ኽልእከካ፡ ንዓ፡ በሎ። 35ነዚ፡ ሓለቓን ፈራድን ገይሩ መን እዩ ዝሸመካ፧ ኢሎም ዝነቐፍዎ ሙሴ፡ ንእኡ ኣምላኽ፡ ብኢድ እቲ ኣብ ኣሻዂ ቈጥቋጥ እተራእዮ መልኣኽ ገይሩ፡ ሓለቓን መድሓንን ምእንቲ ክኸውን ለኣኾ። 36ንሱ ኸኣ ኣብ ግብጽን ኣብ ባሕሪ ኤርትራን ኣብ በረኻን ኣርብዓ ዓመት ትእምርትን ተኣምራትን እናገበረ ኣውጽኦም። 37እቲ ንደቂ እስራኤል፡ ኣምላኽ ካብ ኣሕዋትኩም ከም ዝኸማይ ዝበለ ነብዪ ኸተንስኣልኩም እዩ፡ ንእኡ ስምዕዎ፡ ዝበሎም፡ እዚ ሙሴ እዚ እዩ። 38ኣብ ማሕበር ኣብ በረኻ ምስቲ ኣብ ደብረ ሲና እተዛረቦ መልኣኽ ምስ ኣቦታትናን ዝነበረ፡ ምእንቲ ንኣና ኽህቦ ኸኣ ነቲ ህያው ቃል እተቐበለ፡ ንሱ እዩ። 39ንእኡ ኣቦታትና ኣበይዎ እምበር፡ ክእዘዝዎ ኣይደለዩን፡ ብልቦምውን ናብ ግብጺ ተመልሱ። 40ንኣሮን ድማ፡ እቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘውጽኣና ሙሴ እንታይ ከም ዝረኸቦ ኣይንፈልጥን ኢና እሞ፡ ቀቅድሜና ዝኸዱ ኣማልኽቲ ግበረልና፡ በልዎ። 41በቲ ቕነቲ ምራኽ ገበሩ፡ መስዋእቲ ድማ ነቲ ምስሊ ጣኦት ሰውኡ፡ ብግብሪ ኣእዳዎም ከኣ ደስ በሎም። 42-43ኣምላኽ ግና ካባታቶም ኣግለሰ፡ ኣብ መጽሓፍ ነብያት፡ ኣቱም ቤት እስራኤል፡ በተን ኣርብዓ ዓመት ኣብ በረኻኸ ሕሩድን ካልእ መስዋእትንሲ ኣቕሪብኩምለይ ዲኹም፧ ምንም፡ ምእንቲ ኽትሰግዱሎም ኢልኩም ዝገበርኩምዎም ምስልታት፡ ድንኳን ሞሎኽን ኰዀብ ኣምላኽኩም ሬፋንን ኢኹም ዝጾርኩም። ስለዚ ኣነ ኽንየው ባቢሎን ከግዕዘኩም እየ፡ ዝብል ጽሑፍ ከም ዘሎ፡ ንሰራዊት ሰማይ ከምልኹ ፈንዩ ሓደጎም። 44እቲ ንሙሴ ዝነገሮ፡ ከምታ ዝረኣያ ምስሊ ገይሩ ኽሰርሓ ዝኣዘዞ ድንኳን ምስክር ኣብ በረኻ ምስ ኣቦታትና ነበረት። 45ኣቦታትና ድማ ተቐቢሎምዋ፡ ብእያሱ ተመሪሖም ክወርሱ ኸለዉ፡ ናብታ ኣምላኽ ክሳዕ ዘመን ዳዊት ካብ ገጽ ኣቦታትና ዝሰጐጎም ኣህዛብ ዝነበርዋ ሃገር ኣእተውዋ። 46ዳዊት ድማ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዕድል ረኸበ፡ ንኣምላኽ ያእቆብ ዝኸውን ማሕደር ክረክብ ከኣ ለመነ። 47ቤት ዝሃነጸሉ ግና ሰሎሞን እዩ። 48-50ነብዪ ኸም ዝብል፡ ሰማይ ዝፋነይ፡ ምድሪ ኸኣ መርገጽ እግረይ እዩ። ከመይ ዝበለት ቤት እያ እትሃንጹለይ፧ ወይስ ኣየነይቲ ስፍራ እያ ዝዓርፈላ፧ እዚ ዂሉስ ኢደይዶ ኣይገበረቶን፧ ይብል እግዚኣብሄር፡ እቲ ልዑል ብኢድ ሰብ ኣብ እተሃንጸት ቤት ኣይነብርን እዩ። 51ኣቱም ልብኹምን ኣእዛንኩምን ዘይተገዝረ ተረርቲ ኽሳድ፡ ንስኻትኩም ኲሉ ግዜ ንመንፈስ ቅዱስ ትጻረርዎ ኣሎኹም። ከምቲ ኣቦታትኩም ዝገበርዎ፡ ንስኻትኩም ድማ ከምኡ ትገብሩ ኣሎኹም። 52ካብ ነብያትከ ኣቦታትኩም ዘይሰጐጒዎ መን እዩ፧ ነቶም ብዛዕባ ምምጻእ እቲ ጻድቕ ኣቐዲሞም ዘበሰሩ ድማ ቐተልዎም። ሕጂ ውን ንስኻትኩም ኣሕሊፍኩም ወሃብቱን ቀተልቱን ኰንኩም። 53ንስኻትኩም ነቲ ሕጊ ብኢድ መላእኽቲ ተቐቢልኩምዎስ ኣይሓሎኹምዎን። 54እዚ ምስ ሰምዑ፡ ልቦም ነደደ፡ ኣስናኖም ከኣ ሓርቀሙሉ። 55ንሱ ግና መንፈስ ቅዱስ መልኦ፡ ናብ ሰማይ ኣንቃዕሪሩ ኸኣ ክብሪ ኣምላኽን የሱስ ድማ ኣብ የማን ኣምላኽ ደው ኢሉን ረኣየ እሞ፡ 56እንሆ፡ ሰማይ ተኸፊቱ፡ ወዲ ሰብ ድማ ኣብ የማን ኣምላኽ ደው ኢሉ እርኢ ኣሎኹ፡ በለ። 57ሽዑ ዓው ኢሎም ጨደሩ ኣእዛኖም ደፊኖም ድማ፡ ሓቢሮም ብሓንሳእ ወረርዎ። 58ናብ ወጻኢ እታ ኸተማ ወሲዶም ከኣ ብዳርባ እምኒ ቐተልዎ። እቶም ምስክር ድማ ክዳውንቶም ኣብ ጥቓ ኣእጋር ሳውል ዝብሃል ጐበዝ ኣንበሩ። 59ንእስጢፋኖስ ከኣ እናተማህለለን፡ ጐይታይ የሱስ፡ መንፈሰይ ተቐበል፡ እናበለን፡ ብዳርባ እምኒ ቐተልዎ። 60ተምበርኪኹ ኸኣ ብዓብዪ ድምጺ፡ ጐይታይ፡ እዚ ሓጢኣት እዚ ኣይትሓዘሎም፡ ኢሉ ጨደረ። እዚ ምስ በለውን ዓረፈ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ግ.ሃዋ. ምዕራፍ 8
1ሳውል ድማ ንምቕታሉ ሰሚሩ ነበረ። በታ መዓልቲ እቲኣ ነታ ኣብ የሩሳሌም ዘላ ማሕበር ብርቱዕ ምስጓግ ኰነ። ብዘይ ሃዋርያት ከኣ ኲሎም ናብ ሃገር ይሁዳን ሰማርያን ተበተኑ። 2እግዚኣብሄር ዝፈርሁ ሰባት ድማ ንእስጢፋኖስ ቀበርዎ፡ ብርቱዕ ብኽያትውን በኸዩሉ። 3ሳውል ግና ነታ ማሕበር የጥፍኣ፡ ናብ ኣባይቲ እናኣተወ ሰብኡትን ኣንስትን ሰስሒቡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ የእትዎም ነበረ። 4እቶም እተበተኑ ግና ቃል ወንጌል እናነገሩ ዞሩ። 5ፊልጶስ ከኣ ናብ ሓንቲ ኸተማ ሰማርያ ወሪዱ ክርስቶስ ሰበኸሎም። 6-7ካብቶም ርኹሳት መናፍስቲ ዝሓደርዎም ብዙሓት ሰብ ድማ እቶም መናፍስቲ ብዓብዪ ድምጺ እናጨደሩ ወጹ። ብዙሓት ድኑሳትን ሓንካሳትን ከኣ ሓወዩ እሞ፡ እቶም ህዝቢ ነቲ ፊልጶስ ዝገበሮ ትእምርቲ ምስ ሰምዑን ምስ ረኣዩን፡ ሓቢሮም ናብቲ ንሱ ዝዛረቦ ዘሎ ኣቕለቡ። 8ኣብታ ኸተማ እቲኣ ድማ ዓብዪ ሓጐስ ኰነ። 9ስምኦን ዝብሃል ጠንቋሊ ሰብኣይ ግና ካብ ቀደም ሒዙ ኣብታ ኸተማ ነበረ፡ ንሱ ኸኣ ዓብዪ እየ ብምባሉ ንህዝቢ ሰማርያ የስተንክሮም ነበረ። 10ካብ ንእሽቶኦም ክሳዕ ዓብዪኦም ኲላቶም፡ እቲ ዓብዪ ዝብሃል ሓይሊ ኣምላኽ እዚ እዩ፡ እናበሉ ጽን ይብልዎ ነበሩ። 11ሓያሎ ዘመን ብጥንቈላኡ ስለ ዘስተንከሮም ድማ፡ ጽን ይብልዎ ነበሩ። 12ፊልጶስ ግና ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽን ብዛዕባ ስም የሱስ ክርስቶስን ኣበሲርዎም፡ ምስ ኣመንዎ፡ ሰብኡትን ኣንስትን ተጠምቁ። 13ስምኦን ባዕሉ እኳ ድማ ኣመነ፡ ምስ ተጠምቀ ኸኣ፡ ናብ ፊልጶስ ለገበ። ትእምርትን ዓበይቲ ሓይላትን ክግበር ምስ ረኣየውን፡ ተገረመ። 14እቶም ኣብ የሩሳሌም ዘለዉ ሃዋርያት ከኣ ሰማርያ ቓል ኣምላኽ ከም እተቐበለት ሰምዑ፡ ንጴጥሮስን ንዮሃንስን ሰደዱሎም። 15-16ብስም ጐይታና የሱስ ጥራይ ደኣ ተጠሚቖም ነበሩ እምበር፡ መንፈስ ቅዱስ ገና ኣብ ሓደ ኻባታቶም እኳ ኣይወረደን ነበረ እሞ፡ ጴጥሮስን ዮሃንስን ወሪዶም፡ መንፈስ ቅዱስ ምእንቲ ክቕበሉ፡ ጸለዩሎም። 17ሽዑ ኣእዳዎም ኣንበሩሎም እሞ መንፈስ ቅዱስ ተቐበሉ። 18-19ስምኦን ከኣ መንፈስ ቅዱስ በቲ ምንባር ኣእዳው ሃዋርያት ከም እተዋህበ ምስ ረኣየ፡ እቲ ኢደይ ዘንብረሉ፡ መንፈስ ቅዱስ ምእንቲ ክቕበልሲ፡ ንኣይ ከኣ እዚ ስልጣን እዚ ሃቡኒ፡ ኢሉ ገንዘብ ኣምጽኣሎም። 20ጴጥሮስ ግና፡ ነቲ ህያብ ኣምላኽ ብገንዘብ ክትገዝኦ ስለ ዝሓሰብካ፡ ወርቅኻ ምሳኻ ይጥፋእ፡ 21ልብኻ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅኑዕ ስለ ዘይኰነ ኸኣ፡ ኣብዚ ነገር እዚ ኽፍሊ ወይ ግደ የብልካን። 22እምብኣርሲ ኻብዚ ኽፍኣትካ እዚ ተነሳሕ፡ ምናልባሽ ሓሳብ ልብኻ እንተ ሓደገልካ፡ ንእግዚኣብሄር ለምኖ። 23ኣብ መሪር መርዝን ኣብ ማእሰርቲ ግፍዕን ምህላውካ እርእየካ ኣሎኹ፡ በሎ። 24ስምኦን ከኣ፡ ካብዚ ዝበልኩምዎ ሓደ እኳ ኸይበጽሓንስ፡ ንእግዚኣብሄር ለምኑለይ፡ ኢሉ መለሰ። 25ንሳቶም ከኣ ቃል ጐይታ ምስ መስከሩን ምስ መሃሩን፡ ኣብ ብዙሓት ዓድታት ሰማርያ ወንጌል እናሰበኹ ናብ የሩሳሌም ተመልሱ። 26መልኣኽ እግዚኣብሄር ግና ንፊልጶስ፡ ተንስእ እሞ በታ ኻብ የሩሳሌም ንጋዛ እተውርድ መገዲ ናብ ደቡብ ኣቢልካ ኺድ፡ ንሳ ኸኣ ባዲማ እያ፡ ኢሉ ተዛረቦ። 27ተንሲኡ ኸኣ ከደ። እንሆ ድማ፡ ኢትዮጵያዊ ስሉብ ሰብኣይ ኣብ ህንደኬ ንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ስልጡን ኣዛዝ ኲሉ ገንዘብ ዝነበረ፡ ክሰግድ ናብ የሩሳሌም መጺኡ ነበረ። 28ክምለስ ከሎ ኸኣ፡ ኣብ ሰረገላኡ ተቐሚጡ ትንቢት ኢሳይያስ የንብብ ነበረ። 29መንፈስ ከኣ ንፊልጶስ፡ ሕለፍ፡ ናብቲ ሰረገላ ቕረብ፡ በሎ። 30ፊልጶስ ናብኡ ጐየየ፡ ነብዪ ኢሳይያስ ከንብብ ሰምዖ እሞ፡ እዚ እተንብቦስ ተስተውዕሎዶ ኣሎኻ፧ በሎ። 31ንሱ ኸኣ፡ ሓደ እኳ ኸይመሃረኒ፡ ከመይ ኢሉ ይዀነለይ፧ በለ። ንፊልጶስ ከኣ ደዪቡ ምስኡ ክቕመጥ ለመኖ። 32እቲ ዘንብቦ ዝነበረ ኽፍሊ ጽሑፍ ከኣ እዚ እዩ፡ ከም በጊዕ ናብ ማሕረዲ ተሳሕበ፡ ኣብ ኢድ ቈራጺኡ ስቕ ከም ዝብል ገንሸል ከኣ፡ ከምኡ ኣፉ ኣይከፈተን። 33ብምውራዱ ፍርዱ ተሳዕረ፡ ህይወቱ ኻብ ምድሪ ተመንቁሳ እያ እሞ፡ ንወለዶኡ መን ከዘንትዎ ይኽእል፧ 34እቲ ስሉብ ከኣ ንፊልጶስ፡ እቲ ነብዪ ብዛዕባ መን እዩ እዚ ዝብል ዘሎ፧ ብዛዕባ ርእሱዶ ወይስ ብዛዕባ ኻልእ እዩ ዝብል ዘሎ፧ እስኪ ንገረኒ፡ እልምነካ ኣሎኹ፡ ኢሉ መለሰሉ። 35ፊልጶስ ከኣ ኣፉ ኸፈተ፡ ካብዛ ጽሕፈት እዚኣ ጀሚሩ ድማ ብዛዕባ የሱስ ወንጌል ሰበኸሉ። 36መገዲ ክኸዱ ኸለዉ ድማ፡ ናብ ማይ በጽሑ። እቲ ስሉብ ከኣ፡ እንሆ ማይ፡ ከይጥመቕከ እንታይ ይኽልክለኒ፧ በለ። 37ፊልጶስ ከኣ፡ ብዂሉ ልብኻ እንተ ኣሚንካስ፡ ይዀነልካ እዩ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ የሱስ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ እኣምን ኣሎኹ፡ ኢሉ መለሰሉ። 38ነታ ሰረገላ ደው ከብልዋ ኸኣ ኣዘዘ፡ ፊልጶስን እቲ ስሉብን ክልቲኣቶም ናብቲ ማይ ወረዱ፡ ኣጥመቖውን። 39ካብ ማይ ምስ ወጹ ኸኣ፡ መንፈስ እግዚኣብሄር ንፊልጶስ መንዝዖ። እቲ ስሉብ ድማ ባህ ኢልዎ መገዱ ኸደ እምበር፡ መሊሱ ኣይረኣዮን። 40ፊልጶስ ድማ ኣብ ኣዛጦን ተረኽበ፡ ናብ ቂሳርያ ኽሳዕ ዝመጽእ ከኣ፡ ናብ ኲሉ ኸተማታት እናዞረ ወንጌል ይሰብኽ ነበረ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ግ.ሃዋ. ምዕራፍ 9
1-2ግናኸ ሳውል ገና ብምፍርራህን ብምቕታልን ኣብ ደቀ መዛሙርቲ ጐይታ ነዲሩ ነበረ እሞ ዝዀነ ይኹን በዛ መገዲ እዚኣ ዘለዉ ሰብኡት ወይስ ኣንስቲ እንተ ረኸበ፡ ኣኣሲሩ ንየሩሳሌም ምእንቲ ኸምጽኦም፡ ናብ ሊቀ ኻህናት ከይዱ ናብተን ኣብ ደማስቆ ዘለዋ ኣባይቲ ጸሎት እትበጽሕ ደብዳበ ኻብኡ ለመነ። 3ክኸይድ ከሎ ኸኣ፡ ናብ ደማስቆ ምስ ቀረበ፡ ብድንገት ጸዳል ብርሃን ካብ ሰማይ ኣብ ዙርያኡ ኣንጸባረቐ። 4ናብ ምድሪውን ወደቐ፡ ሳውል፡ ሳውል፡ ንምንታይ እትሰጐኒ፧ ዝብል ድምጺ ኸኣ ሰምዐ። 5ንሱ ድማ፡ ጐይታይ፡ መን ኢኻ፧ በለ። ጐይታ ኸኣ፡ ኣነ እቲ ንስኻ እትሰጎ ዘሎኻ የሱስ እየ። ኣብ ኣንፊ ብልሒ እንተ ኣድሓርሓርካ፡ ንርእስኻ እዩ ዝገደካ፡ በሎ። 6ንሱ ኸኣ እናኣንበድበደን እናፈርሀን፡ ጐይታይ፡ እንታይ ክገብር ትደሊ ኣሎኻ፧ በሎ። ጐይታ ድማ፡ ተንስእ እሞ ናብ ከተማ እቶ፡ እንታይ ክትገብር ከም ዝግብኣካውን፡ ኣብኡ ኽነግሩኻ እዮም፡ በሎ። 7እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰብ፡ ድምጺ እናሰምዑ ገለ እኳ ኸይረኣዩ፡ ደንጽይዎም ደው በሉ። 8ሳውል ካብ ምድሪ ተንሲኡ ኣዒንቱ ቛሕ እንተ ኣበለ፡ ገለ እኳ ኣይረኣየን። ብኢዱ መሪሖም ናብ ደማስቆ ኣእተውዎ። 9ከይረኣየን ከይበልዐን ከይሰተየን ድማ ሰለስተ መዓልቲ ገበረ። 10ኣብ ደማስቆ ኸኣ ሃናንያ ዝብሃል ወደ መዝሙር ነበረ። ንእኡ ጐይታ ብራእይ፡ ሃናንያ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ እኔኹ፡ ጐይታይ፡ በለ። 11ጐይታ ድማ፡ ተንስእ እሞ ናብቲ ቕኑዕ ዝብሃል መተሓላለፊ ኺድ፡ ሳውል ዝብሃል ሰብኣይ ብዓል ጠርሴስ፡ እንሆ፡ ይጽሊ ኣሎ እሞ፡ ኣብ ቤት ይሁዳ ድለዮ፡ 12ንሱውን ሃናንያ ዝብሃል ሰብኣይ ኣትዩ፡ ምእንቲ ኽርኢ ኢዱ ኸንብረሉ ብራእይ ርእዩ ኣሎ፡ በሎ። 13ሃናንያ ግና፡ ጐይታይ፡ ብዛዕባ እዚ ሰብኣይዚ ኣብ የሩሳሌም ንቕዱሳንካ ኽንደይ ክፉእ ከም ዝገበሮም፡ ካብ ብዙሓት ሰሚዐ ኣሎኹ። 14ኣብዚ ድማ ስምካ ንዝጽውዑ ዂላቶም ክኣስር፡ ካብ ሊቃውንቲ ኻህናት ስልጣን ኣለዎ፡ ኢሉ መለሰ። 15-16ጐይታ ግና፡ እዚ ሰብኣይ እዚ ኣብ ቅድሚ ኣህዛብን ኣብ ቅድሚ ነገስታትን ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤልን ስመይ ክጸውር፡ ንኣይ ሕሩይ ኣቕሓ እዩ እሞ፡ ምእንቲ ስመይ ክንደይ ብዙሕ ሓሳረ መከራ ኽጸግብ ከም ዝግብኦ ኸርእዮ እየ፡ ስለዚ ኺድ ደኣ፡ በሎ። 17ሽዑ ሃናንያ ኸደ እሞ ናብ ቤት ኣተወ፡ ኢዱ ኣብኡ ኣንቢሩ ኸኣ፡ ኣታ ሳውል ሓወይ፡ እቲ ኽትመጽእ ከሎኻ ኣብ መገዲ እተራእየካ ጐይታና የሱስ፡ ክትርእን መንፈስ ቅዱስ ክመልኣካን፡ ናባኻ ልኢኹኒ፡ በሎ። 18ብኡብኡ ኸኣ ካብ ኣዒንቱ ኸም ቅራፍ ዝበለ ወደቐ እሞ ረኣየ፡ ተንሲኡውን ተጠምቀ። 19ምግቢ ምስ ተመገበ ድማ፡ በርትዐ። ሳውል ከኣ ምስቶም ኣብ ደማስቆ ዘለዉ ደቀ መዛሙርቲ ሓያሎ መዓልቲ ተቐመጠ። 20ብኡብኡ ድማ ኣብ ኣባይቲ ጸሎቶም ብዛዕባ የሱስ፡ ንሱ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ሰበኸ። 21ዝሰምዕዎ ዘበሉ ዂላቶም ከኣ ተገረሙ እሞ፡ እቲ ኣብ የሩሳሌም ነቶም ነዚ ስምዚ ዝጽውዑ ዘበሉ ዘጥፍእ ዝነበረስ፡ እዚዶ ኣይኰነን፧ ኣእሲሩ ናብ ሊቃውንቲ ኻህናት ምእንቲ ኽወስዶም ድማ፡ ናብዚ ዝመጸን፧ በሉ። 22ሳውል ግና እናበርትዐ ኸደ፡ ነቶም ኣብ ደማስቆ ዝነብሩ ኣይሁድ ከኣ የሱስ እቲ ክርስቶስ ምዃኑ ብምግሃድ ኣፎም የትሕዞም ነበረ። 23ብዙሕ መዓልቲ ምስ ሓለፈ ድማ፡ ኣይሁድ ክቐትልዎ ሓቢሮም ተማኸሩ። 24ሳውል ግና ምኽሮም ፈለጠ። ምእንቲ ክቐትልዎ ኸኣ ለይትን መዓልትን ነቲ በሪታት ይሕልውዎ ነበሩ። 25እቶም ደቀ መዛሙርቲ ግና፡ ብለይቲ ወሲዶም ኣብ ከፈር ገይሮም፡ ብቐጽሪ ኣውረድዎ። 26ናብ የሩሳሌም ምስ መጸ ኸኣ፡ ናብቶም ደቀ መዛሙርቲ ኽሕወስ ፈተነ፡ ንሳቶም ግና፡ ወደ መዝሙር ምዃኑ ስለ ዘይኣመንዎ፡ ኲላቶም ፈርሁ። 27በርናባስ ግና ተቐቢሉ ናብ ሃዋርያት ኣምጽኦ፡ ጐይታ ኣብ መገዲ ኸመይ ከም እተራእዮን ከም እተዛረቦን፡ ኣብ ደማስቆ ድማ ብስም የሱስ ከመይ ገይሩ ብትብዓት ከም ዝመሃረን ነገሮም። 28ኣብ የሩሳሌም ከኣ ተቢዑ ብስም ጐይታ እናተዛረበ፡ ምሳታቶም ይኣቱን ይወጽእን ነበረ። 29ምስቶም ካብ ጽርኣውያን ዝነበሩ ኣይሁድ ከኣ ይዛረብን ይካራኸርን ነበረ፡ ንሳቶም ግና ክቐትልዎ ደለዩ። 30እቶም ኣሕዋት ምስ ፈለጡ ድማ፡ ናብ ቂሳርያ ኣውረድዎ ናብ ጠርሴስውን ሰደድዎ። 31ከምኡ ኸኣ ነታ ኣብ ኲላ ይሁዳን ገሊላን ሰማርያን ዝነበረት ማሕበር ብዘላ ሰላም ኰነላ፡ እናተሃንጸትን ብፍርሃት እግዚኣብሄር እናተመላለሰትን ብምርዳእ መንፈስ ቅዱስ እናዓበየትን ከደት። 32ኰነ ኸኣ፡ ጴጥሮስ ናብ ኲሉ ኽዘውር ከሎ፡ ናብቶም ኣብ ልዳ ዝነብሩ ቅዱሳን ወረደ። 33ኣብኡ ኸኣ ኤንያ ዝስሙ፡ ሾሞንተ ዓመት ኣብ ዓራት ዝደቀሰ መጻጒዕ ሰብኣይ ረኸበ። 34ጴጥሮስ ድማ፡ ኤንያ፡ የሱስ ክርስቶስ የሕውየካ ኣሎ። ተንስእ፡ ባዕልኻ ኣንጽፍ፡ በሎ። ብኡብኡ ኸኣ ተንስኤ። 35ኣብ ልዳን ኣብ ሳሮንን ዝነብሩ ዂላቶም ከኣ ነዚ ርእዮም ናብ ጐይታ ተመልሱ። 36ኣብ ዮጴ ድማ ጣቢታ እትብሃል ተምሃሪት ነበረት፡ ትርጒሙ ድማ ዶርቃስ እዩ። ንሳ ኸኣ ጽቡቕ ግብሪ ዝመልኣ ምጽዋትውን እትምጽውት እያ። 37ኰነ ኸኣ፡ በቲ ቕነቲ ሓሚማ ሞተት። ሓጺቦም ድማ ኣብ ደርቢ ኣንበርዋ። 38ልዳ ንዮጴ ቕርብቲ ስለ ዝነበረት፡ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ ጴጥሮስ ኣብኣ ኸም ዘሎ ሰሚዖም፡ ክልተ ሰብኣይ ናብኡ ልኢኾም፡ ከይደንጐየ ናባታቶም ክመጽእ ለመንዎ። 39ሽዑ ጴጥሮስ ተንሲኡ ምሳታቶም ከደ። ናብኡ ምስ መጸ ድማ፡ ናብ ደርቢ ኣደየብዎ። ኲላተን እተን መበለታት ከኣ እናበኸያ፡ እቲ ጣቢታ ምሳታተን ከላ ዝገበረቶ ቐመውሽን ክዳውንትን እናኣርኣያኦ ከቢበናኦ ደው በላ። 40ጴጥሮስ ግና ንዂላተን ናብ ወጻኢ ኣውጺኡ፡ ተምበርኪኹ ጸለየ፡ ናብቲ ሬሳኣ ግልጽ ኢሉ ኸኣ፡ ጣቢታ፡ ተንስኢ፡ በላ። ኣዒንታ ቛሕ ኣበለት፡ ንጴጥሮስ ምስ ረኣየቶውን፡ ኮፍ በለት። 41ኢዱ ዘርጊሑ ኣተንስኣ፡ ነቶም ቅዱሳንን ነተን መበለታትን ጸዊዑ ድማ፡ ህያው ኰይና ኣብ ቅድሚኦም ደው ኣበላ። 42እዚ ኣብ ኲላ ዮጴ ተፈልጠ፡ ብዙሓት ከኣ ብጐይታ ኣመኑ። 43ንሱ ድማ ሓያሎ መዓልቲ ምስ ስምኦን፡ ፈሓቑ ቄራብቲ ኣብ ዮጴ ተቐመጠ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ግ.ሃዋ. ምዕራፍ 10
1ኣብ ቂሳርያ ቆርኔሌዎስ ዝስሙ ሰብኣይ ነበረ። ንሱ ኣብቲ ኢጣልያናዊ ዝብሃል ጭፍራ ሓለቓ ሚእቲ እዩ። 2ጻድቕ፡ ምስ ኲሉ ስድራ ቤቱ ድማ ንኣምላኽ ዝፈርህ ንህዝቢውን ብዙሕ ምጽዋት ዝምጽውት፡ ኲሉ ሳዕ ከኣ ንኣምላኽ ዝልምን እዩ። 3ብታስዐይቲ ሰዓት ናይ መዓልቲ ኣቢሉ ድማ ብግሁድ ትርኢት መልኣኽ ኣምላኽ ናብኡ ኣትዩ፡ ዎ ቆርኔሌዎስ፡ ክብሎ ኸሎ ረኣየ። 4ንሱ ኸኣ ጠሚትዎ ሰምቢዱ፡ እንታይ እዩ፡ ጐይታይ፧ በለ። ንሱ ድማ፡ ጸሎትካን ምጽዋትካን ናብ ቅድሚ ኣምላኽ ንመዘከርታ ደዪቡ እዩ፡ 5ሕጂ ኸኣ ሰባት ናብ ዮጴ ልኢኽካ ነቲ ጴጥሮስ ዝብሃል ስምኦን ኣምጽኣዮ። 6ንሱ ምስቲ፡ ቤቱ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዘላ ስምኦን፡ ፈሓቑ ቈራብቲ፡ ጋሻ ዀይኑ ሰፊሩ ኣሎ፡ በሎ። 7እቲ ዝዛርቦ ዝነበረ መልኣኽ ምስ ከደ ኸኣ፡ ካብቶም ገላዉኡ ኽልተ፡ ካብቶም ዘይፍለይዎ ኸኣ ሓደ ሕያዋይ ሓሽከር ጸውዐ እሞ፡ 8ነቲ ዝዀነ ዂሉ ኣዘንትዩ ናብ ዮጴ ለኣኾም። 9ንጽብሒቱ ንሳቶም መገዲ ክኸዱ ኸለዉ፡ ናብታ ኸተማ ምስ ቀረቡ፡ ጴጥሮስ ብሳድሰይቲ ሰዓት ኣቢሉ ኽጽሊ ናብ ናሕሲ ደየበ። 10ሽዑ ጠምዩ ኽበልዕ ደለየ፡ ከዳልዉሉ ኸለዉ ኸኣ፡ ተመሰጠ። 11ሰማይ ተኸፊቱ ኣቕሓ ኸኣ ከም ዓብዪ ኽዳን በርባዕተ መኣዝኑ ተትሒዙ ኽወርድ፡ ኣብ ምድሪውን ክበጽሕ ከሎ ረኣየ። 12ኣብኡ ኸኣ ኣርባዕተ መሓውር ዘለዎም ኲሎምን ኣብ ምድሪ ለመም ዝብሉን ኣዕዋፍ ሰማይን ነበሩ እሞ፡ 13ጴጥሮስ፡ ተንስእ፡ ሓሪድካ ብላዕ፡ ዝብል ድምጺ መጾ። 14ጴጥሮስ ግና፡ ጐይታይ፡ ርኹስን ዘፈንፍን ዘበለን እኳ በሊዐ ኣይፈልጥን እየ እሞ ኣይከውንን እዩ፡ በለ። 15ከም ብሓድሽ ድማ ካልኣይ ግዜ፡ ነቲ ኣምላኽ ዘንጽሆ፡ ንስኻ ኣይተርክሶ፡ ዝብል ድምጺ መጾ። 16እዚ ሰለስተ ሳዕ ኰነ፡ ብኡብኡ ኸኣ እቲ ኣቕሓ ናብ ሰማይ ተወስደ። 17ጴጥሮስ እቲ ዝረኣዮ ራእይ፡ እንታይ ኰን ይኸውን፧ ኢሉ ብልቡ ኽግረም ከሎ፡ እንሆ፡ እቶም ካብ ቆርኔሌዎስ እተላእኩ ሰባት፡ ቤት ስምኦን እናሓተቱ ኣብቲ ኣፍ ደገ ደው በሉ፡ 18ጸዊዖም ከኣ፡ እቲ ጴጥሮስ ዝብሃል ስምኦን ኣብኡ ጋሻ ዀይኑ ሰፊሩ እንተሎ፡ ሓተቱ። 19-20ጴጥሮስ በቲ ራእይ ከስተንትን ከሎ፡ መንፈስ፡ እንሆ፡ ሰለስተ ሰብኣይ ይደልዩኻ ኣለዉ፡ ስለዚ፡ ኣነ ልኢኸዮም እየ እሞ ተንሲእካ ውረድ፡ ከይተስከፍካውን ምሳታቶም ኪድ፡ በሎ። 21ሽዑ ጴጥሮስ ናብቶም ሰባት ወሪዱ፡ እንሆ፡ እቲ እትደልይዎ ዘሎኹም ኣነ እየ፡ ብዛዕባ እንታይ ኢኹም ኣብዚ ደው ኢልኩም ዘሎኹም፧ በሎም። 22ንሳቶም ከኣ፡ ንቆርኔሌዎስ፡ ነቲ ሓለቓ ሚእቲ፡ ብዂሉ ህዝቢ ኣይሁድ እተመስከረሉ፡ ንኣምላኽ ዝፈርህ ጻድቕ ሰብኣይ፡ ናብ ቤቱ ኽጽውዓካ ኻባኻውን ቃል ክሰምዕ፡ ብቕዱስ መልኣኽ ተገሊጹሉ ኣሎ፡ በሉ። 23ሽዑ ኣእትዩ ኣሕደሮም። ንጽብሒቱ ተንሲኡ ምሳታቶም ከደ፡ ካብ ዮጴ ኸኣ ሓያሎ ኣሕዋት ሰዓብዎ። 24ንጽብሒቱ ድማ ኣብ ቂሳርያ ኣተዉ። ቆርኔሌዎስ ከኣ ኣዝማዱን ዝቐርብዎ ፈተውቱን ኣኪቡ ይጽበዮም ነበረ። 25ኰነ ድማ፡ ጴጥሮስ ክኣቱ ኸሎ፡ ቆርኔሌዎስ ተቐበሎ። ኣብ ኣእጋሩ ተደፊኡውን ሰገደሉ። 26ጴጥሮስ ግና፡ ኣነ ድማ ከማኻ ሰብ እየ፡ ተንስእ፡ ኢሉ ኣተንስኦ። 27ምስኡ እናተዛራረበ ኣተወ፡ ኣብኡ ድማ ብዙሓት ሰብ ተኣኪቦም ረኸበ እሞ፡ 28ንኣይሁዳዊ ሰብኣይ ምስ ናይ ካልእ ህዝቢ ሰብ ክሕወስ ወይስ ናይ ቤቱ ኽኣቱ ኸም ዘይግብኦ፡ ንስኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም። ንኣይ ግና፡ ንሓደ ሰብ እኳ ኸይፍንፍን ወይስ ርኹስ እዩ ኸይብል፡ ኣምላኽ ኣርእዩኒ። 29ምእንትዚ ድማ ምስ ለኣኽኩምለይ፡ ስግጥ ከይበልኩ መጻእኩ። ሕጂ ኸኣ ብዛዕባ እንታይ ከም ዝለኣኽኩምለይ፡ እሓተኩም ኣሎኹ፡ በሎም። 30ቆርኔሌዎስ ድማ፡ ቅድሚ ኣርባዕተ መዓልቲ ብታስዐይቲ ሰዓት ኣብ ቤተይ ኰይነ እጽሊ ነበርኩ። እንሆ ኸኣ፡ ዘብርህ ኪዳን እተኸድነ ሰብኣይ ኣብ ቅድመይ ደው በለ እሞ፡ 31ቆርኔሌዎስ፡ ጸሎትካ ተሰሚዑ፡ ምጽዋትካ ድማ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተዘኪሩ እዩ እሞ፡ 32ናብ ዮጴ ልኢኽካ፡ ነቲ ጴጥሮስ ዝብሃል ስምኦን ጸውዓዮ፡ ንሱ ኣብ ገምገም ባሕሪ ኣብ ቤት ስምኦን ፈሓቑ ቈራብቲ ጋሻ ዀይኑ ሰፊሩ ኣሎ። ንሱ ምስ መጸ፡ ክነግረካ እዩ፡ በለኒ። 33ሽዑ ብኡብኡ ናባኻ ለኣኽኩ፡ ንስኻ ድማ ብምምጻእካ ጽቡቕ ገበርካ። ሕጂ ኸኣ ካብ ጐይታ እተኣዘዝካዮ ዘበለ ምእንቲ ኽንሰምዕሲ፡ ኲላትና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣብዚ እኔና፡ በሎ። 34-35ሽዑ ጴጥሮስ ኣፉ ኸፊቱ በለ፡ ኣብ ኲሉ ህዝቢ ንኣምላኽ ዝፈርሆን ቅንዕና ዝገብርን እንተሎ፡ ኣብኡ ቕቡል እዩ እምበር፡ ኣብ ኣምላኽ ኣድልዎ ኸም ዘየልቦ፡ ብሓቂ ኣስተብሃልኩ። 36እቲ ናብ ደቂ እስራኤል ብየሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ ጐይታ ዂሉ፡ ሰላም እናኣበሰሮም እተላእከ ቓል፡— 37እቲ ድሕሪ እታ ዮሃንስ ዝሰበኻ ጥምቀት ካብ ገሊላ ጀሚሩ ናብ ኲላ ይሁዳ ዝበጽሐ ቓል፡— 38ማለት ብዛዕባ የሱስ ብዓል ናዝሬት፡ ኣምላኽ ብመንፈስ ቅዱስን ብሓይልን ከም ዝቐብኦ፡ ኣምላኽ ምስኡ ስለ ዝዀነ፡ እናዞረ ጽቡቕ ከም ዝገበረ፡ ነቶም ሰይጣን ዝሰዓሮም ኲሎም ከኣ ከም ዘሕወየ፡ ንስኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም። 39ነቲ ኣብ ሃገር ኣይሁድን ኣብ የሩሳሌምን ዝገበሮ ዂሉ ንሕናውን ምስክር ኢና። ንእኡ ኣብ ዕጸይቲ ሰቒሎም ቀተልዎ። 40ንእኡ ኣምላኽ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኣተንስኦ፡ ክገሃድ ከኣ ሃቦ፡ 41ንኣና፡ ምስክር ምእንቲ ኽንከውን፡ ኣምላኽ ቅድም ዝሓረየና፡ ንኣና፡ ድሕሪ ኻብ ምውታት ምትንሳኡ ምስኡ ዝበላዕናን ዝሰቴናን እምበር፡ ንዂሉ ህዝብስ ኣይተጋህደን። 42ኣምላኽውን ንህያዋንን ምዉታትን ፈራዲ ክኸውን ዝመደቦ፡ ንሱ ምዃኑ ንህዝቢ ኽንሰብኽን ክንምስክርን ኣዘዘና። 43ብእኡ ዝኣምን ዘበለ ብስሙ ሕድገት ሓጢኣት ከም ዝረኽብ፡ ኲሎም ነብያት ይምስክሩሉ ኣለዉ። 44ጴጥሮስ ገና እዚ ቓልዚ ኽዛረብ ከሎ፡ ኣብቶም ነቲ ቓል ዝሰምዕዎ ዂላቶም መንፈስ ቅዱስ ወረደ። 45-46እቶም ካብ ወገን ግዝረት ዝዀኑ፡ ምስ ጴጥሮስ ዝመጹ ኣመንቲ ብቛንቋታት ክዛረቡን ንኣምላኽ ከመስግኑን ሰምዕዎም እሞ፡ ኣብ ኣህዛብ ድማ ህያብ መንፈስ ቅዱስ ስለ ዝፈሰሰ ተገረሙ። 47ሽዑ ጴጥሮስ፡ እዚኣቶምስ ከማና መንፈስ ቅዱስ ካብ ተቐበሉስ፡ ከይጥመቑ ማይ ክኽልክሎም ዝኽእል ደኣ መን እዩ፧ ኢሉ መለሰ። 48ብስም የሱስ ክርስቶስ ክጥመቑ ኸኣ ኣዘዘ። ድሕርዚ ድማ ቅሩብ መዓልቲ ምሳታቶም ክቕኒ ለመንዎ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ግ.ሃዋ. ምዕራፍ 11
1ሃዋርያትን እቶም ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ኣሕዋትን፡ ኣህዛብ ድማ ቃል ኣምላኽ ከም እተቐበሉ፡ ሰምዑ። 2-3ጴጥሮስ ናብ የሩሳሌም ምስ ደየበ ግና፡ እቶም ካብ ግዝረት ዝዀኑ፡ ናብ ዘይተገዝሩ ሰባት ኣቲኻ ምሳታቶም ከኣ በሊዕካ፡ ኢሎም ተበኣስዎ። 4ጴጥሮስ ድማ ተር ኣቢሉ ኽነግሮም ጀመረ፡ ከምዚ ኢሉ፡ 5ኣነ ኣብ ከተማ ዮጴ ኽጽሊ ኸሎኹ፡ ተመሰጥኩ እሞ በርባዕተ መኣዝኑ እተታሕዘ ዓብዪ ኽዳን ዝመስል ኣቕሓ፡ ካብ ሰማይ ክወርድ ከሎ፡ ብራእይ ርኤኹ፡ ናባይውን መጸ። 6ናብኡ እናጠመትኩ እንተ ኣስተብሃልኩ ኸኣ፡ ኣርባዕተ መሓውር ዘለዎም እንስሳ ምድርን ኣራዊትን ለመም ዝብልን ኣዕዋፍ ሰማይን ርኤኹ። 7ሽዑ ኸኣ፡ ጴጥሮስ፡ ተንስእ፡ ሓሪድካ ብላዕ፡ ዝብለኒ ድምጺ ሰማዕኩ። 8ኣነ ግና፡ ጐይታይ፡ ርኹስ ወይስ ዘፈንፍን ከቶ ኣብ ኣፈይ ኣትዩ ኣይፈልጥን እዩ እሞ፡ ኣይከውንን እዩ፡ በልኩ። 9ካልኣይ ግዜ ኸኣ፡ ነቲ ኣምላኽ ዘንጽሆ ንስኻ ኣይተርክሶ፡ ዝብል ድምጺ ኻብ ሰማይ መለሰለይ። 10እዚ ሰለስተ ግዜ ዀነ፡ ከም ብሓድሽ ድማ ኲሉ ናብ ሰማይ ተሳሕበ። 11እንሆ ኸኣ፡ ብኡብኡ ሰለስተ ሰባት ካብ ቂሳርያ ናባይ ተልኢኾም፡ ኣብ ጥቓ እታ ኣነ ዘሎኽዋ ቤት ደው ኢሎም ነበሩ። 12መንፈስ ከኣ ከይተዋላወልኩ ምሳታቶም ክኸይድ ነገረኒ። እዞም ሹድሽተ ኣሕዋት ድማ ምሳይ ከዱ፡ ኣብ ቤት እቲ ሰብኣይውን ኣቶና። 13-14ንሱ ኸኣ፡ መልኣኽ ኣብ ቤቱ ደው ኢሉ፡ ንዮጴ ልኣኽ እሞ ነቲ ጴጥሮስ ዝብሃል ስምኦን ጸዊዕካ ኣምጽኣዮ፡ ንስኻን ኲላ ቤትካን እትድሕኑሉ ቓል፡ ንሱ ኽነግረካ እዩ፡ ክብሎ ኸሎ ኸምዝረኣየ ነገረና። 15ክዛረብ ምስ ጀመርኩ ኸኣ፡ መንፈስ ቅዱስ፡ ከምቲ ቕድም ኣባና ዝወረደ፡ ኣባታቶምውን ወረደ። 16ሽዑ ነቲ፡ ዮሃንስ ብማይ ኣጥመቐ፡ ንስኻትኩም ግና ብመንፈስ ቅዱስ ክትጥመቑ ኢኹም፡ ዝብል ቓል ጐይታ ዘከርኩ። 17እምብኣርሲ ኣምላኽ ከምቲ ንኣና ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ንዝኣመንና ዝሃበና፡ ማዕሬና ገይሩ ህያብ ካብ ዝህቦም፡ ኣነ ደኣ ንኣምላኽ ክኽልክሎ ዝኽእል እንታዋይ እየ፧ 18እዚ ምስ ሰምዑ ሃድኡ እሞ፡ እምብኣርስ ኣምላኽ ነህዛብ ድማ ንህይወት ዝኸውን ንስሓ ሂብዎም፡ እናበሉ ንኣምላኽ ኣመስገኑ። 19እቶም ብሰሪ እቲ ኣብ እስጢፋኖስ ዝበጽሐ መከራ እተበተኑ ግና፡ ክሳዕ ፌንቂስን ቆጵሮስን ኣንጾኪያን ዞሩ፡ እቲ ቓል ከኣ ብዘይ ንኣይሁድ ንሓደ እኳ ኣይነግሩን ነበሩ። 20ሓያሎ ኻባታቶም ግና ሰብ ቆጵሮስን ሰብ ቄረኔን ነበሩ፡ እዚኣቶም ናብ ኣንጾኪያ ምስ መጹ፡ ወንጌል ጐይታና የሱስ እናሰበኹ፡ ነቶም ጽርኣውያንውን ነገርዎም። 21ኢድ እግዚኣብሄር ምሳታቶም ነበረት፡ ብዙሕ ዝቝጽሮም ሰብ ድማ ኣሚኖም ናብ ጐይታ ተመልሱ። 22እዚ ወረ እዚ ኸኣ ብዛዕባኦም ኣብታ ኣብ የሩሳሌም ዘላ ማሕበር ተሰምዐ፡ ንበርናባስ ድማ ናብ ኣንጾኪያ ለኣኽዎ። 23-24ንሱ ምስ መጸ፡ ጸጋ ኣምላኽ ርእዩ ተሓጐሰ። ንሱ መንፈስ ቅዱስን እምነትን ዝመልኦ ሕያዋይ ሰብኣይ እዩ እሞ፡ ብምሉእ ልቦም ብጐይታ ጸኒዖም ክነብሩ መኸሮም፡ ብዙሕ ህዝቢ ኸኣ ንጐይታ ተወሰኸ። 25በርናባስ ካብኡ ወጺኡ ንሳውል ክደልዮ ናብ ጠርሴስ ከደ እሞ ምስ ረኸቦ፡ ናብ ኣንጾኪያ ኣምጽኦ። 26ኰነ ኸኣ፡ ኣብታ ማሕበር ዓመት ምሉእ ብሕብረት ነበሩ ንብዙሕ ህዝቢውን መሃሩ። እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ ቅድም ኣብ ኣንጾኪያ ክርስትያን ተሰምዩ። 27በታ ቕነ እቲኣ ነብያት ካብ የሩሳሌም ናብ ኣንጾኪያ ወረዱ። 28ሓደ ኻባታቶም ከኣ ኣጋቦስ ዝስሙ ተንሲኡ፡ ኣብ ኲላ ዓለም ብርቱዕ ጥሜት ከም ዝኸውን፡ ብመንፈስ ተዛረበ። እዚ ብዘመን ቄሳር ቅላውዴዎስ ኰነ። 29እቶም ደቀ መዛሙርቲ ነፍሲ ወከፍ ከከም ዓቕሙ ነቶም ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ኣሕዋት ረዲኤት ክሰዱሎም መደቡ። 30ከምኡ ገይሮም ከኣ ብኢድ በርናባስን ሳውልን ናብቶም ሽማግሌታት ሰደድዎ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ግ.ሃዋ. ምዕራፍ 12
1በቲ ዘመንቲ ንጉስ ሄሮድስ ኣብ ሓያሎ ኻብታ ማሕበር ክፉእ ክገብሮም ኢዱ ዘርግሐ። 2ንያእቆብ ሓው ዮሃንስ ከኣ ኣሰየፎ። 3እዚ ንኣይሁድ ባህ ከም ዘበሎም ምስ ረኣየ ድማ፡ ወሲኹ ንጴጥሮስ ሓዞ። ቅነ በዓል ቅጫ ኸኣ ነበረ። 4ምስ ሓዞ ኸኣ፡ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተዎ። ድሕሪ ፋስጋ ናብ ህዝቢ ኸውጽኦ ደልዩ፡ በበርባዕተ ኾይኖም ክሕልውዎ ነርባዕተ መደብ ዓቀይቲ ኣሕሊፉ ሃቦ። 5ጴጥሮስ ከምዚ ዀይኑ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይሕሎ ነበረ፡ እታ ማሕበር ግና ምእንትኡ ዂሉ ሳዕ ናብ ኣምላኽ ትጽሊ ነበረት። 6ሄሮድስ ከቕርቦ ምስ ሓሰበ፡ በታ ቕድሚኣ ዘላ ለይቲ፡ ጴጥሮስ ብኽልተ ሞቑሕ ተኣሲሩ ኣብ መንጎ ኽልተ ዓቀይቲ ደቂሱ ነበረ። እቶም ሓለውቲ ኸኣ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ቤት ማእሰርቲ ዀይኖም ይሕልዉ ነበሩ። 7እንሆ ኸኣ፡ መልኣኽ እግዚኣብሄር ኣብ ጥቓኡ ደው በለ፡ ኣብታ ቤት ማእሰርቲ ድማ ብርሃን በርሀ፡ ንጴጥሮስውን መሰንገሊኡ ተንክዩ፡ ቀልጢፍካ ተንስእ፡ ኢሉ ኣበራበሮ። እቲ መቓውሕ ድማ ካብ ኣእዳዉ ወደቐ። 8እቲ መልኣኽ ከኣ፡ ተዓጠቕ፡ ኣሳእንካውን ኣእቱ፡ በሎ። ንሱ ድማ ከምኡ ገበረ። እቲ መልኣኽ ከኣ፡ ክዳንካ ተኸደን እሞ ስዓበኒ፡ በሎ። 9ንሱውን ወጺኡ ሰዓቦ። ግናኸ ራእይ ዝርኢ ዘሎ ይመስሎ ነበረ እምበር፡ እቲ ብመልኣኽ ዝዀነ፡ ሓቂ ምዃኑ ኣየስተውዓለን። 10ነቶም ቀዳማይን ካልኣይን በሪ ዝሕልዉ ምስ ሓለፈ፡ ናብቲ ናብ ከተማ ዘእቱ ማዕጾ ሓጺን በጽሑ፡ ባዕሉውን ተኸፍተሎም። ወጺኦም ከኣ ሓደ ኣደባባይ ምስ ሓለፉ፡ ሽዑ እቲ መልኣኽ ካብኡ ተሰወረ። 11ጴጥሮስ ናብ ልቡ ምስ ተመልሰ ድማ፡ እግዚኣብሄር መልኣኹ ልኢኹ፡ ካብ ኢድ ሄሮድስን ካብቲ ህዝቢ ኣይሁድ ዝጽበይዎ ዝነበሩ ዂሉን ከም ዘድሓነኒ፡ ብሓቂ ሕጂ ፈለጥኩ፡ በለ። 12ነቲ ነገር ምስ ኣስተውዓለ፡ ናብ ቤት ማርያም፡ ኣደ እቲ ማርቆስ ዝብሃል ዮሃንስ፡ መጸ። ኣብኡ ኸኣ ብዙሓት ተኣኪቦም ይጽልዩ ነበሩ። 13ጴጥሮስ ነቲ ማዕጾ ደገ ዃሕኳሕ ምስ ኣበለ፡ ሮዳ እትብሃል ግዝእቲ ኽትሰምዕ መጸት። 14ንሳ ኸኣ ድምጺ ጴጥሮስ ምዃኑ ምስ ኣለለየት፡ ብታሕጓስ ናብ ውሽጢ ጐይያ፡ ጴጥሮስ ኣብ ኣፍ ደገ ደው ኢሉ ኸም ዘሎ፡ ነገረት እምበር፡ ነቲ ማዕጾ ኣይከፈተቶን። 15ንሳቶም ግና፡ ተጸሊልኪ ኢኺ፡ በልዋ። ንሳ ኸኣ ከምኡ ምዃኑ ኣርገጸት። ሽዑ መልኣኹ ዀን ይኸውን፡ በሉ። 16ጴጥሮስ ግና ኳሕኳሕ የብል ነበረ። ምስ ከፈቱ ኸኣ ረኣይዎ እሞ ተገረሙ። 17ንሱ ግና ስቕ ክብሉ ብኢዱ ኣመልከቶም፡ እግዚኣብሄር ካብ ቤት ማእሰርቲ ኸመይ ገይሩ ኸም ዘውጽኦ ኸኣ፡ ኣዘንተወሎም እሞ፡ እዚ ነገር እዚ ንያእቆብን ነቶም ኣሕዋትን ንገርዎም፡ በሎም። ካብኡ ወጺኡ ኸኣ ናብ ካልእ ስፍራ ኸደ። 18ምስ ወግሐ፡ እቶም ዓቀይቲ፡ ንጴጥሮስሲ ኣንታይ ኰን ረኺብዎ ይኸውን፧ ኢሎም ብዙሕ ተጨነቑ። 19ሄሮድስ ድማ ደልዩ ምስ ሰኣኖ፡ ነቶም ሓለውቲ መርሚሩ ክቐትልዎም ኣዘዘ እሞ ካብ ይሁዳ ናብ ቂሳርያ ወሪዱ ኣብኣ ቐነየ። 20ሄሮድስ ንሰብ ጢሮስን ሲዶናን ኣዝዩ ዀርዩ ተጻሊእዎም ነበረ። ተሳማሚዖም ከኣ ናብኡ መጹ። ምግቢ ሃገሮም ካብ ግዝኣት እቲ ንጉስ ስለ ዝነበረ፡ ንብላስጦስ ሸለቃ ዝፋን ቤት ንጉስ ኣፍትዮም ዕርቂ ለመኑ። 21ሄሮድስ በታ መዓልቲ ቘጸራ ልብሰ መንግስቱ ለቢሱ ኣብ ዝፋን ተቐመጠ ተዛረቦምውን። 22እቶም ህዝቢ ድማ፡ እዝስ ድምጺ ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ድምጺ ሰብ ኣይኰነን፡ ኢሎም ጨደሩ። 23ክብሪ ንኣምላኽ ስለ ዘይሃበ ድማ ብኡብኡ መልኣኽ እግዚኣብሄር ቀዘፎ፡ ሓሲኹውን ሞተ። 24ቃል ኣምላኽ ከኣ እናዓበየን እናተዘርግሐን ከደ። 25በርናባስን ሳውልን ድማ ነቲ ረዲኤት ኣብጺሖም፡ ካብ የሩሳሌም ተመልሱ። ምሳታቶም ከኣ ነቲ ማርቆስ ዝብሃል ዮሃንስ ተማልእዎ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ግ.ሃዋ. ምዕራፍ 13
1ኣብታ ኣብ ኣንጾኪያ ዝነበረት ማሕበር ከኣ ነብያትን መምህራንን ነበሩ፡ በርናባስን ኔጌር እተባህለ ስምኦንን ሉክዮስ ብዓል ቄሬኔን እቲ ምስ ሄሮድስ ብዓል ርባዕ ሽመት ዝዓበየ ማናይንን ሳውልን። 2እዚኣቶም ንእግዚኣብሄር ከገልግሉን ክጸሙን ከለዉ ኸኣ፡ መንፈስ ቅዱስ፡ በርናባስን ሳውልን ነቲ ዝጸዋዕክዎም ዕዮ ፍለዩለይ፡ በሎም። 3ሽዑ ጾሙን ጸለዩን ኣእዳዎም ከኣ ኣንበሩሎም እሞ ሰደድዎም። 4ንሳቶም ከምዚ ኢሎም ብመንፈስ ቅዱስ ተልኢኾም ናብ ሴሌውቅያ ወረዱ። ካብኡ ኸኣ ብመርከብ ናብ ቆጵሮስ ከዱ። 5ኣብ ሰላሚስ ምስ በጽሑ ኸኣ፡ ኣብ ኣባይቲ ጸሎት ኣይሁድ ቃል ኣምላኽ ነገሩ። ንዮሃንስ ከኣ ከገልግሎም ወሲዶምዎ ነበሩ። 6ነታ ደሴት ብዘላ ኽሳዕ ጳፎስ ምስ ዞርዋ ኸኣ፡ ሓደ ጠንቋሊ፡ ነብዪ ሓሶት፡ ባርየሱስ ዝስሙ ኣይሁዳዊ ሰብኣይ ረኸቡ። 7ንሱ ምስቲ ምስለኔ፡ ስርግዮስ ጳውሎስ ኣስተውዓሊ ሰብኣይ፡ ይነብር ነበረ። ንሱውን ቃል ኣምላኽ ክሰምዕ ደልዩ፡ ንሳውልን ንበርናባስን ናብኡ ጸውዖም። 8ግናኸ ኤልማስ ጠንቋሊ፡— ስሙ ኸምኡ ይትርጐም እዩ እሞ፡— ነቲ ምስለኔ ኻብ ምእማን ክመልሶ ደልዩ ተቓወሞም። 9እቲ ጳውሎስ እተሰምየ ሳውል ግና፡ መንፈስ ቅዱስ መሊእዎ፡ ጠመቶ እሞ፡ 10ኣታ፡ ኲሉ ተንኰልን ኲሉ ኽፍኣትን ዝመልኣካ ወዲ ድያብሎስ፡ ጻላእ ኲሉ ጽድቂ፡ ነቲ ቕኑዕ መገዲ እግዚኣብሄር ካብ ምጥዋይሲ ካንዶ ኣይትዓርፍን ኢኻ፧ 11ሕጂ ኸኣ እንሃ፡ ኢድ ጐይታ ኣብ ልዕሌኻ እያ፡ ክትዓውር፡ ክሳዕ ግዜኡውን ጸሓይ ኣይክትርእን ኢኻ፡ በሎ። ብኡብኡ ኸኣ ጣቓን ጸልማትን ወደቖ፡ ኣብዝን ኣብትን እናተመላለሰ ኸኣ፡ ብኢዱ ሒዙ ዝመርሖ ደለየ። 12ሽዑ እቲ ምስለኔ ነቲ ዝዀነ ርእዩ፡ ብምህሮ ጐይታ ተገሪሙ ኣመነ። 13ድሕርዚ ጳውሎስን ብጾቱን ካብ ጳፎስ ብመርከብ ከዱ፡ ናብ ጴርጌ ናይ ጶምፍልያ ኸኣ መጹ። ዮሃንስ ከኣ ካባታቶም ተፈልዩ ናብ ዮሩሳሌም ተመልሰ። 14ንሳቶም ግና ካብ ጴርጌ ሓሊፎም ናብ ኣንጾኪያ ናይ ጳሲድያ መጹ። ብመዓልቲ ሰንበት ከኣ ናብ ቤት ጸሎት ኣትዮም ተቐመጡ። 15ንሕግን ነብያትን ምስ ኣንበቡ፡ እቶም መራሕቲ ቤት ጸሎት፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ ገለ ንህዝቢ ዝንገር ቃል ምዕዶ እንተሎኩም፡ ንገሩ፡ ኢሎም ለኣኹሎም። 16ሽዑ ጳውሎስ ተንሲኡ፡ ብኢዱ እናኣመልከተ በለ፡ ኣቱም ሰብ እስራኤልን ንኣምላኽ እትፈርሁን፡ ስምዑ፡ 17ናይ እዚ ህዝቢ እስራኤል ኣምላኽ ነቦታትና ሓረዮም፡ ነዚ ህዝቢ እዚ ኸኣ ኣብ ስደቱ ኣብ ምድሪ ግብጺ ልዕል ኣበሎ፡ በታ ልዕልቲ ኢዱ ድማ ካብኣ ኣውጽኦም። 18ኣስታት ኣርብዓ ዓመት ኣቢሉ ኸኣ ኣብ በረኻ ኸም ኣቦ ዀይኑ ጾሮም። 19ሾብዓተ ኣህዛብ ካብ ምድሪ ከነኣን ኣጥፊኡ፡ ነቲ ምድሮም ኣውረሶም። 20ድሕርዚ ኸኣ ኣስታት ኣርባዕተ ሚእትን ሓምሳን ዓመት ኣቢሉ ኽሳዕ ነብዪ ሳሙኤል መሳፍንቲ ሃቦም። 21ድሕርዚ ንጉስ ለመኑ፡ ኣምላኽ ከኣ ነርብዓ ዓመት ሓደ ሰብኣይ ካብ ነገድ ብንያም፡ ሳኦል ወዲ ቂስ ሃቦም። 22ምስ ሰዓሮ ድማ፡ ንዳዊት፡ ንጉስ ክኸውን፡ ኣተንስኣሎም፡ ዳዊት ወዲ እሴይ ኲሉ ፍቓደይ ዝገብር ሰብኣይ ዝኸም ልበይ ረኸብኩ፡ ኢሉ ኸኣ መስከረሉ። 23ኣምላኽ ከም ተስፋኡ ኻብ ዘርኡ ንእስራኤል መድሓኒ፡ ንሱ ኸኣ የሱስ፡ ኣተንስአ፡ 24ቅድሚ ምምጻኡውን ዮሃንስ ንዂሉ ህዝቢ እስራኤል ጥምቀት ንስሓ ሰበኸ። 25ዮሃንስ ከኣ ጒያኡ ኽፍጽም ከሎ፡ ኣነ መን ምዃነይ ይመስለኩም ኣሎ፧ ኣነስ ንሱ ኣይኰንኩን። እንሆ ደኣ፡ ኣነ ኣሳእኑ ኻብ ኣእጋሩ ንምውጻእ ዘይበቅዕ፡ ንሱ ብድሕረይ ይመጽእ ኣሎ፡ በለ። 26ኣቱም ኣሕዋትና፡ ደቂ ዓሌት ኣብርሃምን ኣብ ማእከልኩም ዘለዉ ንኣምላኽ ዝፈርሁን፡ እዚ ቓል ምድሓን እዚ ናባታትና እዩ እተላእከ። 27እቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነብሩ ምስ መኳንንቶም ንእኡ ስለ ዘይፈለጥዎ፡ ነቲ በብሰንበት ዘንብብዎ ቓል ነብያት ብፍርዶም ፈጸምዎ። 28ንሞት እትኸውን ምኽንያት ሓንቲ እኳ ምስ ሰኣኑሉ፡ ክቐትሎ ንጲላጦስ ለመንዎ። 29ነቲ ብዛዕባኡ እተጻሕፈ ዘበለ ምስ ፈጸሙ፡ ካብ ዕጨይቲ ኣውሪዶም ኣብ መቓብር ኣእተውዎ። 30ኣምላኽ ግና ካብ ምዉታት ኣተንስኦ። 31ነቶም ካብ ገሊላ ናብ የሩሳሌም ምስኡ ዝደየቡ፡ ሕጂ ኸኣ ኣብዚ ህዝቢ እዚ ምስክሩ ዀይኖም ዘለዉ፡ ብዙሕ መዓልቲ ተራእዮም። 32-33ከምቲ ኣብ ካልኣይ መዝሙር፡ ንስኻ ወደይ ኢኻ፡ ኣነ ሎሚ ወለድኩኻ፡ ዝብል ጽሑፍ ዘሎ፡ ኣምላኽ ንየሱስ ኣተንሲኡ እቲ ነቦታትና እተዋህበ ተስፋ ንኣና፡ ንደቆም፡ ከም ዝፈጸሞ፡ ንሕና ድማ ነበስረኩም ኣሎና። 34ከም ብሓድሽ ናብ ጥፍኣት ከይምለስ ከኣ፡ ካብ ምዉታት ኣተንሲእዎ እዩ እሞ፡ እቲ ቅዱስን እሙንን በረኸት ዳዊት ክህበኩም እየ፡ በለ። 35ምእንትዚ ኣብ ካልእ መዝሙር ከኣ፡ ንቕዱስካ ጥፍኣት ክርኢ ኣይትህቦን ኢኻ፡ ይብል እዩ። 36ዳዊት ብዘመኑ ንፍቓድ ኣምላኽ ምስ ኣገልገለ ዓረፈ፡ ናብ ኣቦታቱውን ተጸምበረ ጥፍኣት ከኣ ረኣየ። 37እቲ፡ ኣምላኽ ዘተንስኦ ግና፡ ንሱ ጥፍኣት ኣይረኣየን። 38-39እምብኣርሲ ኣቱም ኣሕዋትና፡ ብእኡ ሕድገት ሓጢኣት ይንገረልኩም ከም ዘሎ፡ ካብቲ ብሕጊ ሙሴ ኽትጸድቁሉ ዘይከኣለኩም ኲሉ ነገር፡ ነፍሲ ወከፍ ኣማኒ ብእኡ ኸም ዝጸድቕሲ፡ ኣባኻትኩም ፍሉጥ ይኹን። 40-41ስለዚ እቲ ብነብያት፡ ኣቱም ነዓቕቲ፡ ርኣዩ፡ ሓደ እኳ እንተ ነገረኩም፡ ከቶ ዘይትኣምንዎ ግብሪ ብዘመንኩም ክገብር እየ እሞ፡ ተገረሙን ጥፍኡን፡ ዝብል ከይበጽሓኩም ተጠንቀቑ። 42ንሳቶም ክወጹ ኸለዉ ኸኣ፡ በታ እትመጽእ ሰንበትውን እዚ ቓላትዚ ኽነግርዎም ለመንዎም። 43እቲ ኣኼባ ምስ ተበተነ ኸኣ፡ ካብ ኣይሁድን ካብቶም ንኣምላኽ ዝፈርሁ ጵሮሴሊታት ብዙሓት ንጳውሎስን ንበርናባስን ሰዓቡ። ንሳቶም ክነግርዎም ከለዉ ኸኣ፡ ብጸጋ ኣምላኽ ክጸንዑ መዓድዎም። 44በታ እትስዕብ ሰንበት ከኣ ዳርጋ ዂላ እታ ኸተማ ቓል ኣምላኽ ክትሰምዕ ተኣከበት። 45ኣይሁድ ነቲ እኩብ ሰብ ምስ ረኣዩ፡ ቅንኣት መልኦም፡ እናተኸራኸሩን እናተጻረፉን ከኣ በቲ ጳውሎስ ዝበሎ ቓል ተኻትዑ። 46-47ጳውሎስን በርናባስን ከኣ ተቢዖም ከምዚ በሉ፡ ቃል ኣምላኽ ቅድም ንኣኻትኩም ክንገር ይግባእ ነይሩ፡ ካብ ደፋእኩምዎን፡ ንናይ ዘለኣለም ህይወት ብቑዓት ከም ዘይኰንኩም ከኣ፡ ብርእስኹም ካብ ፈረድኩምንከ፡ እግዚኣብሄር፡ ክሳዕ ወሰን ምድሪ ንምድሓን ምእንቲ ኽትከውን፡ ነህዛብ ብርሃን ገበርኩኻ፡ ኢሉ ኣዚዙና እዩ እሞ፡ እንሆ፡ ገጽና ናብ ኣህዛብ ንመልስ ኣሎና። 48ኣህዛብ ከኣ እዚ ሰሚዖም ተሓጐሱ፡ ንቓል ኣምላኽ ድማ ኣመስገኑ። እቶም ንህይወት ዘለኣለም እተመደቡ ዘበሉ ዂላቶምውን ኣመኑ። 49ቃል እግዚኣብሄር ናብ ኲላ እታ ሃገር በጽሐ። 50ኣይሁድ ግና ነተን እግዚኣብሄር ዝፈርሃ ሕፉራት ኣንስትን ነቶም ዓበይቲ ዓድን ኣነዓብዎም። ኣብ ጳውሎስን ኣብ በርናባስን ድማ ስደት ኣለዓሉ፡ ካብ ወሰን ሃገሮምውን ሰጐጒዎም። 51ንሳቶም ከኣ ተጐጓ ኣእጋሮም ነገፉሎም እሞ ናብ ኢቆንዮም ከዱ። 52እቶም ደቀ መዛሙርቲ ድማ ሓጐስን መንፈስ ቅዱስን መልኡ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ግ.ሃዋ. ምዕራፍ 14
1ከምኡ ድማ ኣብ ኢቆንዩም ኰነ፡ ሓቢሮም ኣብ ቤት ጸሎት ኣይሁድ ኣትዮም፡ ካብ ኣይሁድን ጽርኣውያንን ኣዝዮም ብዙሓት ህዝቢ ኽሳዕ ዝኣምኑ፡ ተዛረቡ። 2እቶም ዘይኣመኑ ኣይሁድ ግና ልቢ እቶም ኣህዛብ ናብቶም ኣሕዋት ኣናቓነቑን ኣኽፍኡን። 3ኣብኡ ነዊሕ ወርሓት ተቐመጡ። በቲ ትእምርትን ተኣምራትን በእዳዎም እናገበሩ፡ ንቓል ጸጋኡ ምስክር ዝሃበ ጐይታ ተኣሚኖም፡ ብትብዓት ተዛረቡ። 4ደቂ እታ ኸተማ ኸኣ ኣብ ክልተ ተመቕሉ፡ ገሊኦም ምስ ኣይሁድ፡ ገሊኦም ድማ ምስ ሃዋርያት ኰኑ። 5ኣህዛብን ኣይሁድን ምስ መኳንንቶም ሓሳር ከጽግብዎምን ብዳርባ እምኒ ክቐትልዎምን ምስ ተላዕሉ፡ 6ንሳቶም ድማ እዚ ምስ ፈለጡ፡ ናብ ከተማታት ሊቃኦንያን ናብ ልስጥራን ናብ ደርቤን፡ ኣብ ከባቢአን ናብ ዘላ ሃገርን ሃደሙ፡ 7ኣብኡውን ወንጌል ይሰብኩ ነበሩ። 8ሓደ ሰብኣይ፡ ኣእጋሩ ዝሞተ፡ ካብ ከርሲ ኣዲኡ ጀሚሩ ዝማህመነ፡ ተዛዊሩ እኳ ዘይፈልጥ፡ ኣብ ልስጥራ ተቐሚጡ ነበረ። 9ንሱ ጳውሎስ ክዛረብ ከሎ ሰምዐ። ጳውሎስ ድማ ተኲሩ ጠመቶ ክሓዊ እምነት ከም ዘላቶ ምስ ረኣየ፡ 10ድምጹ ዓው ኣቢሉ፡ ትኽ ኢልካ በእጋርካ ደው በል፡ በሎ። ብድድ ኢሉ ኸኣ ተዛወረ። 11ሽዑ እቶም ህዝቢ ጳውሎስ ዝገበሮ ምስ ረኣዩ፡ ድምጾም ዓው ኣቢሎም ብዘረባ ሊቃኦንያ፡ ኣማልኽቲ ብኣርኣያ ሰብ ናባና ወሪዶም፡ በሉ። 12ንበርናባስ፡ ድያ፡ በልዎ፡ ንጳውሎስ ድማ፡ መራሕ ዘረባ ስለ ዝዀነ፡ ሄርሜስ። በልዎ። 13ካህን እቲ ኣብ መንጽር ከተማ ዝነበረ መቕደስ ድያ ድማ ኣብዑርን ኣኽሊላት ዕምባባን ናብቲ ደጌታት ኣምጺኡ ምስቶም ሰብ ኰይኑ ኽስውኣሎም ደለየ። 14ግናኸ ጳውሎስን በርናባስን፡ እቶም ሃዋርያት፡ እዚ ምስ ሰምዑ፡ ክዳውንቶም ቀደዱ፡ እናጨደሩ ኸኣ ናብቶም ህዝቢ ጐየዩ፡ 15እናበሉ፡ ኣቱም ሰብ፡ ንምንታይ እዚ ነገርዚ እትገብሩ፧ ንሕና ድማ ከማኻትኩም ዝፍጥረትና ሰብ ኢና፡ ካብዚ ኸንቱ ነገር ናብቲ ሰማይን ምድርን ባሕርን ኣባታቶም ዘለዉ ዂሎምን ዝፈጠረ ህያው ኣምላኽ ክትምለሱ ነበስረኩም ኣሎና። 16ንሱ ብዝሓለፈ ወለዶ ንዂሎም ኣህዛብ መመገዶም ይኺዱ ሓደጎም። 17ምስናይዚ ኸኣ ጽቡቕ እናገበረ፡ ካብ ሰማይ ዝናምን ዘመን ፍርያትን እናሃበኩም ንልብኹምውን ብመብልዕን ሓጐስን እናጽገበ፡ ርእሱ ብዘይ ምስክር ኣይሓደገን። 18እዚ ኢሎም ከኣ፡ ከይስውኡሎም፡ ነቶም ህዝቢ ብሓይለ ገደል ከልከልዎም። 19ኣይሁድ ከኣ ካብ ኣንጾኪያን ካብ ኢቆንዩምን መጹ። ነቶም ህዝቢ ሓባቢሎም ንጳውሎስ ድማ ብዳርባ እምኒ ፈጽፈጽዎ፡ ዝሞተ መሲልዎም ከኣ ካብታ ኸተማ ንወጻኢ ጓተትዎ። 20እቶም ደቀ መዛሙርቱ ኸቢቦምዎ ኸለዉ ኸኣ፡ ብድድ ኢሉ ናብታ ኸተማ ኣተወ። ንጽብሒቱ ኸኣ ምስ በርናባስ ናብ ደርቤ ኸደ። 21ኣብታ ኸተማ እቲኣ ድማ ወንጌል እናሰበኹ ብዙሓት ደቀ መዛሙርቲ ምስ ገበሩ፡ ናብ ልስጥራን ናብ ኢቆንዩምን ናብ ኣንጾኪያን ተመልሱ። 22ነፍሲ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኣጸናንዑ፡ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ብብዙሕ ጸበባ ኽንኣቱ ይግብኣና እዩ፡ እናበሉ ኸኣ ኣብ እምነት ክጸንዑ ይምዕድዎም ነበሩ። 23ኣብ መማሕበሩ ሽማግሌታት ምስ ሓረዩሎም ድማ፡ ብጾምን ብጸሎትን ናብቲ ብእኡ ዝኣመኑ ጐይታ ኣማዕቈብዎም። 24ብጲስድያ ሓሊፎም ናብ ጳምፍልያ መጹ። 25ኣብ ጴርጌ ነቲ ቓል ምስ ነገሩ፡ ናብ ኣጣልያ ወረዱ። 26ካብኣ ኸኣ ናብታ ነቲ ዝፈጸምዎ ዕዮ ኣብኣ ንጸጋ ኣምላኽ ዘማሕጸንዎም ኣንጾኪያ ብመርከብ ተሳገሩ። 27ናብኣ ምስ በጽሑ፡ ንማሕበር ኣኪቦም፡ ኣምላኽ ዝገበረሎም ኲሉን ነህዛብ ከኣ ደገ እምነት ከም ዝኸፈተሎምን፡ ኣዘንተዉሎም። 28ምስቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ ሓያሎ መዓልቲ ጸንሑ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ግ.ሃዋ. ምዕራፍ 15
1ካብ ይሁዳ ዝወረዱ ሓያሎ ድማ ነቶም ኣሕዋት፡ ከም ስርዓት ሙሴ እንተ ዘይተገዘርኩምሲ፡ ክትድሕኑ ኣይኰነልኩምን እዩ፡ ኢሎም መሃርዎም። 2ኣብ መንጎኦምን መንጎ ጳውሎስን በርናባስን ብዙሕ ምፍልላይን ክትዕን ምስ ኰነ ኸኣ፡ ጳውሎስን በርናባስን ካባታቶምውን ሓያሎ ኻልኦትን ብዛዕባ እዚ ባእሲዚ ናብ ሃዋርያትን ሽማግሌታትን ናብ የሩሳሌም ክድይቡ መደቡ። 3ሽዑ ንሳቶም ካብ ማሕበር ምስ ተፋነዉ፡ ምምላስ ኣህዛብ እናውረዩሎም፡ ብፊንቄን ብሰማርያን ሓለፉ። ንዂላቶም ኣሕዋት ከኣ ብዙሕ ኣሓጐስዎም። 4ኣብ የሩሳሌም ምስ በጽሑ ድማ፡ እቶም ማሕበርን ሃዋርያትን ሽማግሌታትን ተቐበልዎም፡ ንሳቶም ድማ ኣምላኽ ዝገበረሎም ዘበለ ዂሉ ተዛረብዎም። 5ካብቶም ዝኣመኑ ወገን ፈሪሳውያን ግና ሓያሎ፡ ክገዝርዎምን ምሕላው ሕጊ ሙሴ ኽእዝዝዎምን ይግባእ እዩ፡ ኢሎም ተንስኡ። 6እቶም ሃዋርያትን ሽማግሌታትን ከኣ ብዛዕባ እዚ ነገርዚ ኽምርምሩ ተኣከቡ። 7ብዙሕ ክትዕ ምስ ኰነ ኸኣ፡ ጴጥሮስ ተንሲኡ ኸምዚ በሎም፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ ካብ ቀዳማይ ዘመን ጀሚሩ ኣህዛብ ብኣፈይ ቃል ወንጌል ክሰምዑን ክኣምኑን፡ ኣምላኽ ካባኻትኩም ከም ዝሓረየኒ፡ ንስኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም። 8እቲ ልቢ ዝፈልጥ ኣምላኽ ከኣ ከምቲ ንኣና ዝሃበና ንኣታቶምውን መንፈስ ቅዱስ ብምሃቡ መስከረሎም። 9ልቦም ብእምነት ምስ ኣንጽሀ፡ ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎኦምን ሓንቲ እኳ ኣይፈላለየን። 10እምብኣርስኸ ሕጂ ነቲ ኣቦታትናን ንሕናን ክንጾሮ ዘይከኣለና ኣርዑት ኣብ ክሳድ ደቀ መዛሙርቲ ብምንባርኩም ስለምንታይ ንኣምላኽ እትፍትንዎ፧ 11ንሕናስ ከማታቶም ደኣ ብጸጋ ጐይታና የሱስ ከም እንድሕን፡ ንኣምን ኣሎና። 12ኲላቶም እቶም ህዝቢ ድማ ስቕ በሉ፡ ነቲ በርናባስን ጳውሎስን ከመይ ዝበለ ዓብዪ ትእምርትን ተኣምራትን ኣምላኽ ብኣታቶም ኣብ ኣህዛብ ዝገበሮ ኽነግርዎም ከለዉ ኸኣ፡ ጽን ይብሉ ነበሩ። 13ንሳቶም ስቕ ምስ በሉ ኸኣ፡ ያእቆብ ከምዚ ኢሉ መለሰ፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ ስምዑኒ፡ 14ኣምላኽ ካብ ኣህዛብ ንስሙ ህዝቢ ምእንቲ ኸውጽእ፡ ቅድም ከመይ ከም ዝበጽሖም፡ ስምኦን ኣዘንትዩ ኣሎ። 15-18ምስ እዚ ድማ እቲ ቓል ነብያት ይሰማማዕ፡ ከምቲ፡ እቶም ዝተረፉ ሰብን ስመይ ኣባታቶም እተጸውዐ ዂሎም ኣህዛብን ንጐይታ ምእንቲ ኽደልዩ፡ ነታ ወዲቓ ዘላ ድንኳን ዳዊት ከም ብሓድሽ ክሰርሓ፡ ነቲ ዖናኣ ኽሕድሶ ኸም ብሓድሽውን ከቕንዖ እየ፡ እዚ ነገርዚ እቲ ኻብ ዘለኣለም ፈሊጡ ዝገብሮ ጐይታ ይብል ኣሎ፡ ዝብል ጽሑፍ እዩ። 19-21ካብ ቀዳሞት ወለዶ ጀሚሩ ኣብ ቤት ጸሎቶም በብሰንበት ንሙሴ እናኣንበብዎ፡ ኣብ ከከተማኡ ዝሰብክዎ ኣለዉዎ እሞ፡ ካብ ርኽሰት ጣኦታትን ዝሙትን ካብ ሕኑቕን ደምን ደኣ ክኽልከሉ፡ ንልኣኸሎም እምበር፡ ነቶም ካብ ኣህዛብ ናብ ኣምላኽ ዝምለሱ ዘለዉ ኸይነኽብደሎም ይርኣየና ኣሎ። 22ሽዑ እቶም ሃዋርያትን ሽማግሌታትን ምስ ብዘላ እታ ማሕበር ኰይኖም ምስ ጳውሎስን በርናባስን ናብ ኣንጾኪያ ዝሰድዎም ሰባት ካብ መንጎኦም ክሓርዩ ቕኑዕ ኰይኑ ተራእዮም። እቲ በርሳባ ዝበሃል ይሁዳን ሲላስን፡ ኣብ ማእከል ኣሕዋት ምርኡያት ዝነበሩ ሰባት ከኣ ለኣኹ። 23ምሳታቶም ድማ እዚ ጽሑፍ እዚ ሰደዱ፡ ንሕና ሃዋርያትን ሽማግሌታትን ኣሕዋትን ኣብ ኣንጾኪያን ኣብ ሶርያን ኣብ ቂልቅያን ካብ ኣህዛብ ንዘሎኹም ኣሕዋት ሰላም ንብለኩም ኣሎና። 24ንሕና ዘይኣዘዝናዮም፡ ገለ ኻባታትና ወጺኦም ክትግዘሩን ሕጊ ኽትሕልዉን ኢሎም፡ ብቓሎም ከም ዝሃወኹኹምን ንልብኹም ከም ዘዕገርገሩን ስለ ዝሰማዕና፡ 25-26ምስ እዞም እነፍቅሮም በርናባስን ጳውሎስን፡ ምእንቲ ስም ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ህይወቶም ኣሕሊፎም ዝሃቡ ሰባት፡ ናባኻትኩም እንሰዶም ሰባት ክንሓሪ ሰሚርና ብሓደ ዄንና መደብና። 27ስለዚ ይሁዳን ሲላስን፡ ንሳቶም ነዚ ብኣፎም ድማ ክነግሩኹም፡ ሰዲድናልኩም ኣሎና። 28-29ብዘይ እቲ እተገብአ፡ ማለት፡ ንጣኦታት ካብ እተሰውአን ደምን፡ ካብ ሕኑቕን ዝሙትን ደኣ ኽትክልከሉ እምበር፡ ገለ ሓለፋ ጾር እኳ ኸይንጽዕነኩም፡ ንመንፈስ ቅዱስን ንኣናን ተራእዩና እዩ እሞ፡ ርእስኻትኩም ካብዚ እንተ ሓሎኹም፡ ጽቡቕ ክትረኽቡ ኢኹም። ደሓን ኩኑ። 30ንሳቶም ምስ ተላእኩ፡ ናብ ኣንጾኪያ ወረዱ፡ ነታ ማሕበር ኣኪቦም ከኣ፡ ነታ ደብዳበ ወፈይዋ። 31ምስ ኣንበብዋ ድማ፡ በቲ ምጽንናዕ ተሓጐሱ። 32ይሁዳን ሲላስን ግና፡ ንሳቶም ድማ ነብያት እዮም ዝነበሩ እሞ፡ ነቶም ኣሕዋት ብብዙሕ ቃል መዓድዎምን ኣበርትዕዎምን። 33ሓያሎ መዓልቲ ምሳታቶም ምስ ቀነዩ፡ ካብ ኣሕዋት ብሰላም ተፋንዮም ናብቶም ዝለኣኽዎም ተመልሱ። 34ሲላስ ግና ኣብኡ ኽተርፍ ደለየ። 35ጳውሎስን በርናባስን ከኣ ኣብ ኣንጾኪያ ደንጐዩ፡ ምስ ብዙሓት ካልኦት ኰይኖምውን ቃል ጐይታ ይምህሩን የበስሩን ነበሩ። 36ድሕሪ ሓያሎ መዓልቲ ጳውሎስ ንበርናባስ፡ ንዓ፡ ንመለስ እሞ ኣብተን ቃል ጐይታ ዝመሃርናለን ዘበላ ኸተማታት ነቶም ኣሕዋት ንብጽሓዮም፡ ከመይ ኢሎም ከም ዘለዉ ድማ ንርኣዮም፡ በሎ። 37ሽዑ በርናባስ ነቲ ዮሃንስ ዝብሃል ማርቆስ ከኣ ምሳታቶም ክማልእዎ ደለየ። 38ጳውሎስ ግና ነዚ ኻባታቶም ኣብ ጰምፍልያ እተፈልየ፡ ምሳታቶ ከኣ ናብ ዕዮ ዘይመጸ ኽማልእዎ ኣይፈተወን። 39ብዛዕባዚ፡ ንሓድሕዶም ክሳዕ ዝፋላለዩ፡ ኣብ መንጎኦም ባእሲ ዀነ። በርናባስ ንማርቆስ ሒዙ ናብ ቆጵሮስ ብመርከብ ከደ። 40ጳውሎስ ግና ንሲላስ ሓረየ፡ እቶም ኣሕዋት ኣብ ጸጋ እግዚኣብሄር ምስ ኣማሕጸንዎ ድማ፡ ነቐሉ። 41ነተን ማሕበር እናጽንዐውን ናብ ሶርያን ናብ ቂልቅያን ዞረ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ግ.ሃዋ. ምዕራፍ 16
1ናብ ደርቤን ናብ ልስጥራን ድማ መጸ። እንሆ ኸኣ፡ ጢሞቴዎስ ዝብሃል ወደ መዝሙር፡ ወዲ ሓንቲ ኣማኒት ኣይሁዳዊት ሰበይቲ ኣቦኡ ግና ጽርኣዊ፡ ኣብኡ ነበረ። 2ንእኡ እቶም ኣብ ልስጥራን ኣብ ኢቆንዩምን ዘለዉ ኣሕዋት ጽቡቕ መስኪሮምሉ ነበሩ። 3ሽዑ ጳውሎስ ምስኡ ኽወስዶ ፈተወ፡ ኣቦኡ ጽርኣዊ ምዃኑ ዂላቶም ይፈልጡ ነበሩ እሞ፡ ስለ እቶም ኣብተን ዓድታት እቲኣተን ዘለዉ ኣይሁድ ከኣ፡ ወሲዱ ገዘሮ። 4ኣብ ዘዝኣተውዋ ኸተማ ኸኣ እቲ ሃዋርያትን ሽማግሌታትን ኣብ የሩሳሌም ዝሓገጉሎም ሕጋጋት ክሕልዉ ኣዘዝዎም። 5ስለዚ እተን ማሕበር በዚ ኸምዚ ብእምነት ይጸንዓ፡ ቁጽረን ድማ ኣብ ጸጽባሕ ይውስኽ ነበረ። 6ኣብ እስያ ነቲ ቓል ከይነግሩ፡ መንፈስ ቅዱስ ምስ ከልከሎም፡ ብሃገር ፍርግያን ገላትያን ሓለፉ። 7ኣብ ሚስያ ምስ በጽሑ፡ ናብ ቢቲንያ ክኸዱ ፈተኑ፡ መንፈስ የሱስ ግና ኣይፈቐደሎምን። 8ሚስያ ምስ ሓለፉ ኸኣ፡ ናብ ጥሮኣስ ወረዱ። 9ንጳውሎስ ከኣ ብለይቲ ራእይ ተራእዮ። ብዓል መቄዶንያ ሰብኣይ ከኣ ደው ኢሉ፡ ናብ መቄዶንያ ሕለፍ እሞ ርድኣና፡ እናበለ ይልምኖ ነበረ። 10ንሱ ራእይ ምስ ረኣየ፡ ወንጌል ክንሰብከሎም ኣምላኽ ከም ዝጸውዓና ተረዲእና፡ ብኡብኡ ናብ መቄዶንያ ኽንከይድ ደሌና። 11ሽዑ ኻብ ጥሮኣስ ብመርከብ ምስ ከድና፡ ትኽ ኢልና ናብ ሳሙትራኬ ኣቕናዕና። ንጽብሒቱ ኸኣ ናብ ንያጶሊስ ከድና፡ 12ካብኣ ድማ ናብ ፊልጲ፡ ንሳ ኣብታ ኽፍሊ ሃገር መቄዶንያ ቐዳመይቲ ኸተማን ሓዳስ ግዝኣት ሮሜን እያ። ኣብታ ኸተማ እቲኣ ሓያሎ መዓልቲ ቐኔና። 13ብመዓልቲ ሰንበት ከኣ ካብ ዓንቀጽ እታ ኸተማ ወጺእና ኣብ ጥቓ እቲ ጸሎት ዝግበሮ ዝነበረ ርባ ተቐሚጥና፡ ነተን እኩባት ኣንስቲ ተዛረብናየን። 14ልድያ እትብሃል፡ ንኣምላኽ እትፈርህ ሰበይቲ ብዓልቲ ኸተማ ትያቲራ፡ ሸያጢት ቀይሕ ሃሪ፡ ጽን ትብለና ነበረት። ናብቲ ጳውሎስ ዝብሎ ዝነበረ ኸተድህብ ከኣ፡ እግዚኣብሄር ልባ ኸፈተላ። 15ንሳ ምስ ስድራ ቤታ ምስ ተጠምቀት ከኣ፡ ከም ኣማኒት ጐይታ ርኢኹምኒ እንተ ዄንኩምሲ፡ ናብ ቤተይ ኣቲኹም ተቐመጡ፡ ኢላ ለመነትና ግዲውን በለትና። 16ኰነ ድማ፡ ናብቲ ጸሎት ዝግበሮ ኽንከይድ ከሎና፡ መንፈስ ጥንቈላ ዘለዋ ንጐይተታ ኸኣ በቲ ምጥንቋላ ብዙሕ እተርብሖም ዝነበረት ግዝእቲ ተጓነፈትና። 17ንሳ ኸኣ፡ እዞም ሰባት እዚኣቶም ባሮት ልዑል ኣምላኽ እዮም፡ መገዲ ምድሓን ከኣ ይምህሩኹም ኣለዉ፡ ኢላ እናጨደረት፡ ኣስኣሰር ጳውሎስን ኣስኣሰርናን ሰዓበት። 18ከምዚ እናበለት ከኣ፡ ብዙሕ መዓልቲ ገበረት። ጳውሎስ ድማ ጒህዩ፡ ግልጽ ኢሉ ነቲ መንፈስ፡ ካብኣ ኽትወጽእ፡ ብስም የሱስ እእዝዘካ ኣሎኹ፡ በሎ። በታ ግዜ እቲኣውን ወጸ። 19ጐይተታ ድማ ተስፋ ረብሓኦም ከም ዘባተኸ ምስ ረኣዩ፡ ንጳውሎስን ሲላስን ሓዝዎም ናብቶም ሹማት ከኣ ናብ ዕዳጋ ሰሓብዎም እሞ፡ 20እዞም ሰባት እዚኣቶም ኣይሁድ እዮም፡ ንኸተማና ኸኣ የናዕብዋ ኣለዉ፡ 21ንሕና ሮማውያን ክንቅበሎን ክንገብሮን ዘይተፈቕደልና ስርዓትውን ይሰብኩ ኣለዉ፡ ኢሎም ናብቶም ሓላቑ ኣምጽእዎም። 22እቲ እኩብ ህዝቢ ኸኣ ተላዕሎም፡ እቶም ሓላቑ ድማ ክዳውንቶም ገፊፎም፡ ብሽመል ክዘብጥዎም ኣዘዙ። 23ብዙሕ ምስ ዘበጥዎም ከኣ፡ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተውዎም፡ ነቲ ሓላው እሱራት ድማ ኣጽኒዑ ኽሕልዎም ኣዘዝዎ። 24ንሱ እዚ ትእዛዝ እዚ ምስ ተቐበለ ኸኣ፡ ናብቲ ውሽጢ ቤት ማእሰርቲ ኣእተዎም፡ ኣእጋሮም ከኣ ኣብ ጒንዲ ኣጽኒዑ ኣሰረ። 25ፍርቂ ለይቲ ምስ ኰነ ድማ፡ ጳውሎስን ሲላስን ንኣምላኽ እናለመኑ ብዜማ የመስግኑ ነበሩ። እቶም እሱራት ከኣ ይሰምዕዎም ነበሩ። 26ብድንገት ድማ፡ መሰረት እታ ቤት ማእሰርቲ ኽሳዕ ዝናወጽ፡ ብርቱዕ ምንድቕዳቕ ምድሪ ዀነ። ብኡብኡ ኸኣ ኲሉ እቲ መዓጹ ተኸፍተ፡ ናይ ኲላቶም መቓውሕውን ተፈትሐ። 27እቲ ሓላው እሱራት ምስ ተበራበረ ኸኣ፡ መዓጹ እታ ቤት ማእሰርቲ ተኸፊቱ ረኣየ። እቶም እሱራት ዝመለቑ መሲልዎ ድማ፡ ሰይፊ መሊሑ ርእሱ ክቐትል ደለየ። 28ጳውሎስ ግና፡ ኲላትና ኣብዚ ኣሎና እሞ፡ ኣብ ርእስኻ እከይ ኣይትግበር፡ እናበለ ዓው ኢሉ ጨደረ። 29ንሱ ድማ፡ መብራህቲ ሃቡኒ፡ ኢሉ እናጐየየ ኣተወ፡ ራዕራዕ እናበለውን ንጳውሎስን ንሲላስን ሰገደሎም። 30ናብ ግዳም ኣውጺኡ ኸኣ፡ ጐይተተይ፡ ምእንቲ ኽድሕንሲ፡ እንታይ ክገብር ይግብኣኒ፧ በሎም። 31ንሳቶም ከኣ፡ ብጐይታና የሱስ እመን እሞ ንስኻን ቤትካን ክትድሕኑ ኢኹም፡ በልዎ። 32ንእኡን ኣብ ቤቱ ንዘለዉ ዂላቶምን ከኣ ቃል እግዚኣብሄር ነገርዎም። 33በታ ሰዓት እቲኣ ብለይቲ ወሲዱ ኣቑሳሎም ሓጸቦም። ሽዑ ንሱ ምስ ኲሎም ስድራ ቤቱ ተጠምቀ። 34ናብ ቤቱ ኣደዪቡ ድማ መኣዲ ቐረበሎም፡ ብኣምላኽ ስለ ዝኣመነውን ምስ ኲላቶም ስድራ ቤቱ ተሓጐሰ። 35ምድሪ ምስ ወግሐ ግና፡ እቶም ሓላቑ፡ ነቶም ሰባት ፈቲሕካ ስደዶም፡ ኢሎም ገላዉ ለኣኹ። 36እቲ ሓላው እሱራት ድማ፡ እቶም ሓላቑ ኽትፍትሑ ልኢኾም ኣለዉ፡ ሕጂ ኸኣ ውጹ ብሰላምውን ኪዱ፡ ኢሉ ንጳውሎስ እዚ ቓልዚ ነገሮ። 37ጳውሎስ ግና፡ ንሕና ሮማውያን ክነስናስ፡ ብዘይ ፍርዲ ብግህዶ ዘቢጦም ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተዉና፡ ሕጂ ድማ ብሕቡእዶ ኽሰዱና፧ ባዕላቶም ደኣ መጺኦም የውጽኡና እምበር፡ እዝስ ከቶ ዘይከውን እዩ፡ በሎም። 38እቶም ገላዉ ኸኣ እዚ ነገርዚ ነቶም ሓላቑ ነገርዎም። ንሳቶም ድማ ሮማውያን ምዃኖም ምስ ሰምዑ፡ ፈርሁ። 39መጺኦም ከኣ ኣቃባጢሮም ኣውጽእዎም፡ ካብታ ኸተማ ኸግልሱውን ለመንዎም። 40ሽዑ ኻብ ቤት ማእሰቲ ወጺኦም፡ ናብ ቤት ልድያ ኣተዉ። ነቶም ኣሕዋት ምስ ረኣይዎም ከኣ፡ መዓድዎም ካብኡውን ሓለፉ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ግ.ሃዋ. ምዕራፍ 17
1ብኣምፊጶሊስን ብኣጶሎንያን ኣቢሎም ከኣ ናብ ተሰሎንቄ ኣተዉ። ኣብኡውን ቤት ጸሎት ኣይሁድ ነበረት። 2ጳውሎስ ከኣ ከምቲ ልማዱ ናባታቶም ኣትዩ፡ ሰለስተ ሰንበት ብጽሑፋት ምሳታቶም ተዛራረበ፡ 3ንክርስቶስ ክስቀን ካብ ምዉታት ክትንስእን ከም ዝግብኦ፡ እዚ ዝሰብከልኩም ዘሎኹ የሱስ ከኣ ክርስቶስ እዩ፡ ኢሉ እናተርጐመ ይገልጸሎም ነበረ። 4ካባታቶም ከኣ ሓያሎ ኣሚኖም፡ ናብ ጳውሎስን ሲላስን ተጸምበሩ፡ ኣዝዮም ብዙሓት ካብቶም ንኣምላኽ ዝፈርሁ ጽርኣውያን፡ ካብተን ዓበይቲ ኣንስቲውን ሒደት ዘይኰና ኸምኡ ገበራ። 5እቶም ዘይኣመኑ ኣይሁድ ከኣ ቀኒኦም፡ ካብቲ ዕዳጋ እኩያት ሰብ ወሰዱ፡ ህዝቢ ኣኪቦም ድማ ነታ ኸተማ ኣነዓብዋ። ንቤት ያሶን ሓደጋ ወዲቖም ከኣ፡ ናብቶም ህዝቢ ኸውጽእዎም ደለዩ። 6ምስስኣንዎም ግና፡ ንያሶንን ንሓያሎ ኻብ ኣሕዋትን ናብቶም መኳንንቲ እታ ኸተማ ስሒቦም፡ እዞም ንዂሉ ዓለም ዘናዕቡስ ናብዚ ኸኣ መጺኦም፡ 7ያሶን ከኣ ከም ኣጋይሽ ተቐቢልዎም ኣሎ፡ ንሳቶም ኲላቶም ምስ ኣዋጅ ቄሳር ዝጻላእ ነገር ይገብሩ፡ የሱስ ዝብሃል ካልእ ንጉስ ኣሎውን፡ ይብሉ እዮም፡ እናበሉ ጨደሩ። 8ንሳቶም እዚ ንዝሰምዑ ሰባትን ንመኳንንቲ እታ ኸተማን ኣዕገርገርዎም። 9ንያሶንን ነቶም ካልኦትን ዋሕስ ኣትኪሎም ከኣ፡ ሓደግዎም። 10እቶም ኣሕዋት ግና ንጳውሎስን ሲላስን ብኡብኡ ብለይቲ ናብ ቤርያ ሰደድዎም። ኣብኣ ምስ በጽሑ ኸኣ፡ ናብ ቤት ጸሎት ኣይሁድ ኣተዉ። 11ንሳቶም ድማ ካብቶም ኣብ ተሰሎንቄ ዝነብሩ ዝበለጸ ደግታት ነበሩ። ንሳቶም፡ እዚ ነገርዚ እስኪ ኸምኡ እንተ ዀይኑ፡ ኢሎም ኣብ ጸጽባሕ ነቲ ጽሑፋት እናመርመሩ፡ ነቲ ቓል ብዂሉ ፍቓዶም ተቐበልዎ። 12ስለዚ ብዙሓት ካባታቶምን ካብተን ክቡራት ኣንስቲ ጽርእን ሰብኡትን፡ ሒደት ዘይኰኑ፡ ኣመኑ። 13ኣብ ተሰሎንቄ ዝነበሩ ኣይሁድ ከኣ ጳውሎስ ኣብ ቤርያ ድማ ቃል ኣምላኽ ከም ዝነገረ ምስ ሰምዑ፡ ነቲ ህዝቢ ኽዘርጉን ከናዕቡን ናብኣውን መጹ። 14ሽዑ እቶም ኣሕዋት ንጳውሎስ፡ ክሳዕ ባሕሪ ክኸይድ፡ ቀልጢፎም ሰደድዎ። ሲላስን ጢሞቴዎስን ግና ኣብኣ ተረፉ። 15እቶም ንጳውሎስ ዝወሰዱ ግና ክሳዕ ኣቴና ኣብጽሕዎ እሞ፡ ሲላስን ጢሞቴዎስን ቀልጢፎም ናብኡ ይስዓብዎ፡ ዝብል ትእዛዝ ሒዞም ናባታቶም ተመልሱ። 16ጳውሎስ ድማ ኣብ ኣቴና ኽጽበዮም ከሎ፡ እታ ኸተማ ጣኦታት መሊኣ ምስ ረኣየ፡ ብመንፈሱ ተቓጸለ። 17ስለዚ ኣብ ቤት ጸሎት ምስ ኣይሁድን ምስቶም ፈራህቲ ኣምላኽን፡ ኲሉ መዓልቲ ድማ ኣብ ዕዳጋ ምስ ዝረኸቦምን ይዛራረብ ነበረ። 18ሓያሎ ፊሎሶፋት ከኣ ካብ ኤጲቁሬዎስን እስጦይኮስን ምስኡ ጸመዱ። ገሊኦም ከኣ፡ እዚ ዓጃው እንታይ ክብል ኰን እዩ ዝደሊ ዘሎ፧ በሉ። ገሊኦም ድማ፡ ብናይ የሱስን ትንሳኤን ስለ ዝሰበኸሎም፡ ብሓደስቲ ኣማልኽቲ ዝምህር ዘሎ ደኣ ይመስል፡ በሉ። 19-20ጋሻ ነገር ኣብ ኣእዛንና ተስምዓና ኣሎኻ እሞ፡ እዚ ንስኻ እትዛረቦ ሓዲሽ ትምህርትስ እንታይ ምዃኑ ኽንፈልጦዶ ይከኣለና እዩ፧ እዚ ነገርዚ እንታይ ምዃኑ ኽንፈልጥ ንደሊ ኣሎና፡ እናበሉ ድማ ሒዞም ናብ ኣርዮስፋጎስ ወሰድዎ። 21ኲሎም ሰብ ኣቴናን ኣብኣ ዝነብሩ ጓኖትን ብዘይ ንሓድሽ ነገር ምዝራብን ምስማዕን እንተ ዘይኰይኑ፡ ንኻልእሲ ግዜ ኣይነበሮምን። 22ጳውሎስ ግና ኣብ ማእከል ኣርዮስፋጎስ ደው ኢሉ በለ፡ ኣቱም ሰብ ኣቴና፡ ብዂሉ ነገር ምምላኽ ኣማልኽቲ ኸም እተብዝሑ፡ እርእየኩም ኣሎኹ። 23እናዞርኩ መቓድስኩም ክርኢ ኸሎኹ፡ ንዘይተፈልጠ ኣምላኽ ዝብል እተጻሕፎ መሰውኢ ረኸብኩ። እምብኣርሲ እዚ ኸይፈለጥኩም እተምልኽዎ ዘሎኹም፡ ንእኡ ኣነ እነግረኩም ኣሎኹ። 24እቲ ዓለምን ኣብኣ ዘሎን ዝገበረ ኣምላኽ፡ ንሱ ጐይታ ሰማይን ምድርን እዩ እሞ፡ ብኢድ ኣብ እተሃንጸ መቓድስ ኣይሓድርን እዩ። 25ንሱ ህይወትን ትንፋስን ኲሉ ነገርን ንዂሉ ዝህብ እዩ፡ ገለ ኸም ዝጨንቆ ኢድ ሰብ ኣየገልግሎን እዩ። 26-28ካብቶም ተቐነይትኹም ድማ ሓያሎ፡ ንሕና ኻብ ዓሌት ኣምላኽ ኢና፡ ኢሎም ከም ዘለዉ፡ ብእኡ ኢና እንነብርን እንዋሳወስን ብእኡ ኸኣ ኢና ዘሎና እሞ፡ ንሱ ኻብ ሓደ ሰብ ኣብ ርእሲ ዂላ ምድሪ ኽነብሩ ዂሉ ዓሌት ሰብ ፈጠረ። ንሱ ኻብ ነፍሲ ወከፍና ዘይረሓቐ ኽነሱ፡ ምናልባሽ ሃሰስ ኢሎም እንተ ረኸብዎ፡ ንኣምላኽ ምእንቲ ኽደልዩ፡ ንመናበሪኦም ድማ ውሱን ዘመናትን ድዉብ ደረትን ሓገገሎም። 29እምብኣርስኸ ዓሌት ኣምላኽ ካብ ኰንናስ፡ ኣምላኽ ነቲ ብናይ ሰብ ብልሓትን ሓሳብን እተገብረ ቕርጺ ወርቂ ወይ ብሩር ወይ እምኒ ኸም ዝመስል፡ ክንሓስቦ ኣይግብኣናን እዩ። 30-31ኣምላኽ ነቲ ዘመን ድንቁርና ኣሕሊፉ፡ በቲ ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ እሞ ብእኡ ንዂሉ እምነት እናሃበ ዝመደቦ ሰብኣይ ንዓለም ብጽድቒ ዝፈርደላ መዓልቲ ወሲኑ ስለ ዘሎ፡ ሕጂ ኣብ ኲሉ ቦታ ንብዘሎ ሰብ ክንስሑ ይነግር ኣሎ። 32ብዛዕባ ትንሳኤ ምዉታት ምስ ሰምዑ ግና፡ ገሊኦም ኣላገጹሉ፡ ገሊኦም ከኣ፡ እዝስ ከም ብሓድሽ ድማ ክንሰምዓካ ንደሊ ኢና፡ በልዎ። 33ከምኡ ድማ ጳውሎስ ካብ ማእከሎም ወጸ። 34ሓያሎ ሰብኡት ከኣ ሰዓብዎ እሞ ኣመኑ፡ ካባታቶም ድማ እቲ ናይ ኣርዮስፋጎስ መኰነን፡ ድዮኒስዮስን ደማሪስ እትብሃል ሰበይቲ፡ ከምኡውን ካልኦት ምሳታቶም ነበሩ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ግ.ሃዋ. ምዕራፍ 18
1ድሕርዚ ጳውሎስ ካብ ኣቴና ተበጊሱ ናብ ቈረንቶስ መጸ 2ቅላውዴዎስ ኲሎም ኣይሁድ ካብ ሮሜ ኽለቁ ኣዘዘ እሞ፡ ሽዑ ቕነ ምስ ሰበይቱ ጵርስኪላ ኻብ ኢጣልያ ዝመጸ ኣኪላስ ዝብሃል ኣይሁዳዊ ብዓል ጶንጦስ ረኸበ ናባታቶምውን ተጸምበረ። 3ዕዮኦም ሓደ ስለ ዝነበረ ኸኣ፡ እናዓየየ ምሳታቶም ተቐመጠ፡ እቲ ዕዮኦም ድማ ምስፋይ ድንኳን ነበረ። 4ሰንበት ሰንበት ከኣ ኣብ ቤት ጸሎቶም ይዛራረብ፡ ንኣይሁድን ንጽርኣውያንን ድማ የረድኦም ነበረ። 5ሲላስን ጢሞቴዎስን ካብ መቄዶንያ ምስ ወረዱ፡ ጳውሎስ፡ እቲ የሱስ ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ ንኣይሁድ እናመስከረ፡ ብዕዮ እቲ ቓል ጸኒዑ ነበረ። 6ንሳቶም ምስ ተኸራኸርዎን ምስ ጸረፉን ግና፡ ክዳኑ ነጊፉ፡ ደምኩም ኣብ ርእስኹም ይኹን፡ ኣነ ንጹህ እየ፡ ካብ ሕጂ ኸኣ ናብ ኣህዛብ ክኸይድ እየ፡ በሎም። 7ኻብኡ ወጺኡ ድማ፡ ናብቲ ቲትዮስ ዮስጦስ ዝብሃል፡ እግዚኣብሄር ዝፈርህ ሰብኣይ፡ ቤቱ ኸኣ ኣብ ጥቓ ቤት ጸሎቶም ዝነበረት፡ ኣተወ። 8ኪሪስጶስ እቲ መራሕ ቤት ጸሎት ድማ፡ ምስ ኲሉ ስድራ ቤቱ ብጐይታ ኣመነ። ካብ ሰብ ቈረንቶስውን ብዙሓት ሰሚዖም ኣመኑን ተጠምቁን። 9-10ጐይታ ኸኣ ለይቲ ብራእይ ንጳውሎስ ተራእዮ እሞ፡ ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ብዙሕ ህዝቢ ስለ ዘሎኒ፡ ተዛረብ ደኣ እምበር፡ ስቕ ኣይትበል፡ ኣነ ምሳኻ እየ እሞ፡ ክፉእ ክገብረካ ዝቐርበካ የልቦን፡ ኣይትፍራህ፡ በሎ። 11ኣብኣ ቓል ኣምላኽ እናመሃረ ዓመትን ሹድሽተ ወርሕን ኣብ ማእከሎም ተቐመጠ። 12-13ጋልዮስ ኣብ ኣካይያ ምስሌንነት ተሸይሙ ኸሎ፡ ኣይሁድ ሓቢሮም ኣብ ጳውሎስ ተንስኡ፡ እሞ፡ ብዘይ ሕጊ ንኣምላኽ ከምልኽዎ ንሰብ ይሓባብል ኣሎ፡ እናበሉ ናብ መጋባእያ ኣምጽእዎ። 14ጳውሎስ ኣፉ ክኸፍት ምስ ደለየ ግና፡ ጋልዮስ ንኣይሁድ፡ ኣቱም ኣይሁድ፡ ገለ ዓመጽ ወይስ ገለ ኽፉእ ግብሪ እንተ ዝኸውንሲ፡ ሃዲአ ኽሰምዓኩም ምተገብአ ነይሩ። 15ክርክር ብዛዕባ ቓልን ስምን ሕግኹምን እንተ ዀነ ግና፡ ኣነ ኣብዚ ነገርዚ ፈራዲ ክኸውን ኣይፈቱን እየ እሞ ባዕላትኩም ፍለጡ፡ በሎም። 16ካብቲ መጋባእያውን ሰጐጎም። 17ኲላቶም ከኣ ንሶስቴነስ መራሕ ቤት ጸሎት ሒዞም ሓቢሮም ኣብ ቅድሚ መጋባእያ ዘበጥዎ። ጋልዮስ ግና ግዲ እዚ እኳ ኣይነበሮን። 18ጳውሎስ ግና ድሕርዚ ሓያሎ መዓልቲ ምስ ተቐመጠ፡ ካብቶም ኣሕዋት ተሳናበተ። መብጽዓ ስለ ዝነበሮ፡ ኣብ ክንክሬኣ ርእሱ ምስ ተላጸየ ኸኣ፡ ምስ ጵርስኪላን ኣኪላስን ብመርከብ ናብ ሶርያ ኸደ። 19ኣብ ኤፌሶን ምስ በጽሐ ኸኣ፡ ንኣታቶም ኣብኣ ሓደጎም። ንሱ ግና ናብ ቤት ጸሎት ኣትዩ ምስቶም ኣይሁድ ይዛራረብ ነበረ። 20ንሳቶም ብዙሕ መዓልቲ ምሳታቶም ክጸንሕ እንተ ለመንዎ ኸኣ፡ ኣበዮም፡ 21በዚ ዝመጽእ በዓል ብዘበልኩ ኣቢለ ኣብ የሩሳሌም ክውዕል ይግብኣኒ እዩ፡ ኣምላኽ እንተ ፈቐዶ ኸኣ፡ ናባታትኩም ክምለስ እየ፡ ኢሉ ተሳናበቶም። ካብ ኤፌሶን ከኣ ብመርከብ ከደ። 22ኣብ ቂሳርያ በጽሐ፡ ካብኣ ደዪቡ፡ ንማሕበር ሰላም ምስ በለ፡ ናብ ኣንጾኪያ ወረደ። 23ሓያሎ መዓልቲ ኣብኣ ምስ ቀነየ ኸኣ፡ ካብኣ ተበጊሱ ንዂላቶም ደቀ መዛሙርቲ እናጽንዐ፡ ኣብ ሃገር ገላትያን ፍርግያን በብተራ ዞረ። 24ሓደ ሊቅ ኣጵሎስ ዝስሙ ኣይሁዳዊ፡ ብዓል እስኪንድርያ፡ ብጽሑፋት ከኣ ስልጡን ሰብኣይ፡ ናብ ኤፌሶን መጸ። 25መገዲ እግዚኣብሄር ምሁር ነበረ፡ ጥምቀት ዮሃንስ ጥራይ ክነሱ ዝፈልጥሲ፡ ብመንፈስ ሞይቁ ብዛዕባ ናይ የሱስ ይነግር ኣጸቢቑውን ይምህር ነበረ፡ 26ንሱ ኣብ ቤት ጸሎት ብትብዓት ክምህር ጀመረ። ጵርስኪላን ኣኪላስን ምስ ሰምዕዎ ኸኣ፡ ወሲዶም መገዲ ኣምላኽ ኣጸቢቖም ኣረድእዎ። 27ናብ ኣካይያ ኽሓልፍ እንተ ደለየ፡ እቶም ኣሕዋት ኣጸናንዕዎ፡ ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ድማ ክቕበልዎ ጸሓፉሎም። ኣብኣ ምስ በጽሐ ኸኣ፡ ነቶም ኣመንቲ ብጸጋ ኣምላኽ ብዙሕ ጠቐሞም። 28የሱስ ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ ብጽሑፋት እናኣርኣየ፡ ንኣይሁድ ኣብ ቅድሚ ዂሉ ብግሁድ ኣጸቢቑ ይረትዖም ነበረ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ግ.ሃዋ. ምዕራፍ 19
1ኰነ ድማ፡ ኣጵሎስ ኣብ ቈረንቶስ ከሎ፡ ጳውሎስ፡ በቲ ላዕላይ ሃገር ሓሊፉ ናብ ኤፌሶን መጸ፡ ሓያሎ ደቀ መዛሙርቲ ድማ ረኸበ እሞ፡ 2ምስ ኣመንኩምሲ፡ መንፈስ ቅዱስዶ ተቐቢልኩም፧ በሎም። ንሳቶም ከኣ፡ ኣይፋልናን፡ መንፈስ ቅዱስ ከም ዘሎ እኳ ኣይሰማዕናን፡ ኢሎም መለሱሉ። 3ንሱ ኸኣ፡ ብኣየናይ ጥምቀት ደኣ ተጠመቕኩም፧ በሎም። ንሳቶምውን፡ ብናይ ዮሃንስ ጥምቀት፡ በልዎ። 4ሽዑ ጳውሎስ፡ ዮሃንስሲ በቲ ድሕሪኡ ዝመጽእ፡ ማለት ብየሱስ ክርስቶስ፡ ክኣምኑ፡ ነቶም ህዝቢ እናነገረ ጥምቀት ንስሓ እዩ ዘጥመቐ፡ በሎም። 5እዚ ምስ ሰምዑ፡ ብስም ጐይታና የሱስ ተጠምቁ። 6ጳውሎስ ኢዱ ምስ ኣንበረሎም ከኣ፡ መንፈስ ቅዱስ ናባታቶም ወረደ። ሽዑ ብቛንቋታት ተዛረቡን ተነበዩን። 7እቶም ሰባት ከኣ ኲላቶም ኣስታት ዓሰርተው ክልተ ዝኣኽሉ ነበሩ። 8ኣብ ቤት ጸሎት ኣኣትዩ፡ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ እናነገሮምን እናኣረድኦምን፡ ሰለስተ ወርሒ ብትብዓት ይዛራረቦም ነበረ። 9ሓያሎ ነቲ መገዲ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ እናካፍኡ ምስ ተታረሩን ምእማን ምስ ኣበዩን ግና፡ ካባታቶም ኣግለሰ። ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ፈልዩ ኣብ ጸጽባሕ ኣብ ቤት ትምህርቲ ጢራኖስ ኰይኑ ይዛራረቦም ነበረ። 10እዚ፡ ኣብ እስያ ዝነበሩ ዂሎም ኣይሁድን ጽርኣውያንን ነቲ ቓል ጐይታ ኽሳዕ ዝሰምዕዎ፡ ክልተ ዓመት ምሉእ እናቐጸለ ኸደ። 11ኣምላኽ ከኣ ብኢድ ጳውሎስ ብዙሕ በይኑ ዝዀነ ተኣምራት ገበረ፡ 12መኣረምያኡ ወይስ ክዳኑ ኻብ ዝባኑ ወሲዶም ኣብቶም ሕሙማት የንብሩ እሞ ሕማሞም ይሓድጎም፡ ርኹሳት መናፍስቲውን ካባታቶም ይወጹ ነበሩ። 13ካብቶም ኣስማት እናገበሩ ዝዞሩ ኣይሁድ ከኣ ሓያሎ ነቶም ርኹሳት መናፍስቲ ዝሓደርዎም፡ በቲ ጳውሎስ ዝሰብኮ የሱስ ነምሕለኩም ኣሎና፡ ኢሎም ስም ጐይታና የሱስ ክሰምዩሎም ፈተኑ። 14እቶም እዚ ዝገበሩውን ሾብዓተ ደቂ ሓደ ኣስቄዋ ዝብሃል ኣይሁዳዊ ሊቀ ኻህናት እዮም። 15እቲ ርኹስ መንፈስ ድማ፡ ንየሱስ እፈልጦ፡ ንጳውሎስውን ኣይስሕቶን እየ፡ ንስኻትኩምከ እንታዎት ኢኹም፧ ኢሉ መለሰሎም። 16እቲ ርኹስ መንፈስ ዝሓደሮ ሰብኣይ ከኣ ጐየዮም፡ ጥራዮም ኰይኖም ቈሲሎም ካብታ ቤት ክሳዕ ዝሃድሙ ንኽልተ ኻባታቶም ተባራቲዑ ኣሕመቖም። 17እዚ ነገርዚ ኣብቶም ኣብ ኤፌሶን ዝነብሩ ኣይሁድን ጽርኣውያንን ኲላቶም ተፈልጠ። ንዂላቶምውን ፍርሃት ወደቖም፡ ስም ጐይታና የሱስ ከኣ ተመስገነ። 18ካብቶም ዝኣመኑ ኸኣ ብዙሓት ነቲ ዝገበርዎ እናተኣመኑን እናነገሩን መጹ። 19ብዙሓት ጠንቈልቲ ድማ መጻሕፍቶም ኣኪቦም ኣብ ቅድሚ ዂሉ ኣንደድዎ። ዋጋኡ እንተ ተጸብጸበ ኸኣ፡ ሓምሳ ሽሕ ድሪም ኰይኑ ተረኽበ። 20ቃል ጐይታውን ከምዚ ኢሉ ብሓይሊ ዓበየን በርትዐን። 21እዚ ነገርዚ ምስ ተወድአ፡ ጳውሎስ ብመቄዶንያን ብኣካይያን ሓሊፉ ናብ የሩሳሌም ክኸይድ ብመንፈስ ሓሰበ እሞ፡ ኣብኣ ምስ በጻሕኩውን፡ ንሮሜ ድማ ክርእያ የድልየኒ እዩ፡ በለ። 22ክልተ ኻብቶም ደገፍቱ፡ ጢሞቴዎስን ኤራስጦስን፡ ናብ መቄዶንያ ሰደዶም፡ ንሱ ግና ኣብ እስያ ሓያሎ ወርሓት ጸንሐ። 23በቲ ቕነቲ ብዛዕባ እዚ መገዲዚ ብዙሕ ዕግርግር ኰነ። 24ድሜጥሮስ ዝብሃል ሓደ ንኣርጤምስ ዝኸውን መቕደስ ብሩር ዝሰርሕ ኣንጠረኛ ነቶም ኣንጠረኛታት ብዙሕ የርብሖም ነበረ። 25ነዚኣቶምን ነቶም ብዕዮኦም ዝሓብርዎምን ኣኪቡ ኸኣ፡ ከምዚ በሎም፡ ኣቱም ሰባት፡ ጥቕምና ኻብዚ ስራሕዚ ምዃኑ ትፈልጡ ኣሎኹም። 26እዚ ጳውሎስ፡ እዞም ብኢድ ዝግበሩስ ኣማልኽቲ ኣይኰኑን፡ እናበለ ኣብ ኤፌሶን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ዳርጋ ኣብ ኲላ እስያ ንብዙሓት ሰባት ከም ዘስድዐን ከም ዘዕለወን፡ ትርእዩን ትሰምዑን ኣሎኹም። 27እታ ዂላ እስያን ብዘላ ዓለምን ዘምልኻኣ ዓባይ ኣርጤምስ፡ መቕደሳ ኸም ከንቱ ኸይቁጸር ክብረታውን ከይሰዓር እምበር፡ ስራሕና ኸይንዓቕ ጥራይ ኣይኰነን ዘፍርሃና ዘሎ። 28እዚ ምስ ሰምዑ፡ ኲራ መልኦም እሞ ዓው ኢሎም፡ ኣርጤምስ ሰብ ኤፌሶን ዓባይ እያ፡ እናበሉ ጨደሩ። 29ኣብታ ኸተማ ድማ ዕግርግር ኰነ፡ ንጋይዮስን ኣርስጣርኮስን፡ ሰብ መቄዶንያ ብጾት ጳውሎስን፡ እናሰሓቡ ሓቢሮም ናብታ ስፍራ ጓይላ ጐየዩ። 30ጳውሎስ ኣብ ማእከል እቶም ህዝቢ ኽኣቱ እንተ ደለየ ኸኣ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸልከልዎ። 31ካብቶም ፈተውቱ ዝነበሩ ዓበይቲ እስያ ገሊኦም ከኣ፡ ናብታ ስፍራ ጓይላ ኸይመጽእ፡ ልኢኾም ለመንዎ። 32እቶም ኣኼባ ዝርግርግ ኢሎም ነበሩ እሞ፡ ዝበዝሑስ ብዛዕባ እንታይ ከም እተኣከቡ እኳ ኣይፈልጡን ነበሩ፡ ስለዚ ገሊኦም ከምዚ ገሊኦምውን ከምቲ ኢሎም ይጭድሩ ነበሩ። 33ኣይሁድ ንእስኪንድሮስ ንቕድሚት ገጾም ምስ ደፍእዎ ኸኣ፡ እቲኣቶም ካብ ማእከል እቶም ሰባት ሰሓብዎ። እስኪንድሮስ ከኣ ነቶም ህዝቢ ኽምጒተሎም ደልዩ ብኢዱ ኣመልከተ። 34ኣይሁዳዊ ምዃኑ ምስ ፈለጡ ግና፡ ናይ ሰብ ኤፌሶን ኣርጤምስ ዓባይ እያ፡ እናበሉ፡ ኲላቶም ብሓደ ቓል ኰይኖም ክልተ ሰዓት ዝኣክል ጨደሩ። 35እቲ ናይታ ኸተማ ጸሓፊ ነቶም ህዝቢ ኣህዲኡ በለ፡ ኣቱም ሰብ ኤፌሶን፡ ከተማ ኤፌሶን ነቲ መቕደስ እታ ዓባይ ኣርጤምስን ነቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ ምስላን ከም እትሕሉ ዘይፈልጥ ሰብ እንታዋይ እዩ፧ 36እምብኣርሲ እዚ ኣሉ ዘይብሃል ነገር ካብ ኰነ፡ ክትሃድኡ ብታህዋኽውን ሓደ ነገር ከይትገብሩ ይግብኣኩም እዩ። 37እዞም ሰባት እዚኣቶም መቕደስኩም ከይሰረቑ ንኣምላኽኩምውን ከይጸረፉ ኢኹም ኣምጺእኩምዎም ዘሎኹም። 38ዲሜጥሮስን እቶም መሳርሕቱን ግና ገለ ነገር እንተ ኣለዎም፡ መዓልቲ መጋባእያን ምስሌነታትን ኣለውዎም፡ ነንሓድሕዶም ይካሰሱ። 39እዚ እተልዕልዎ ዘረባ ስለ ኻልእ ነገር እንተ ዀይኑ ኸኣ፡ ኣብቲ ስሩዕ ዋዕላ ይቑረጽ። 40በዚ ዕግርግር እዚ እንመልሶ ምኽንያት ስለ ዘይብልና፡ በዚ ሎሚ ዝዀነ ታዕታዕ እኳ ኸይንኽሰስ ንፈርህ ኣሎና። 41ከምዚ ኢሉ ነቲ ኣኼባ በተኖ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ግ.ሃዋ. ምዕራፍ 20
1እቲ ታዕታዕ ምስ ዓረፈ፡ ጳውሎስ ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ጸዊዑ መዓዶም፡ ተሳናቢትዎም ከኣ ናብ መቄዶንያ ክኸይድ ነቐለ። 2ብብዙሕ ቃል እናመዓዶም ከኣ፡ ነቲ ሃገር ዞይሩ ናብ ጽርኢ መጸ። 3ኣብኣ ሰለስተ ወርሒ ምስ ገበረ፡ ናብ ሶርያ ብመርከብ ክኸይድ ሓሲቡ ኸሎ፡ ኣይሁድ ውዲት ስለ ዝገበሩሉ፡ ብመቄዶንያ ገይሩ ኽምለስ ምኽሩ ቘረጸ። 4ክሳዕ እስያ ኸኣ እኒ ሶጳጥሮስ፡ ወዲ ጲሮስ ብዓል ቤሮያን፡ ኣርስተርኮስን ሴኮንዶስን፡ ሰብ ተሰሎንቄ፡ ጋይዮስ ብዓል ደርቤን ጢሞቴዎስን ካብ እስያ ኸኣ ትኪቆስን ጥሮፊሞስን ኣሰነይዎ። 5እዚኣቶም ቅድሜና ሓሊፎም ኣብ ጥርኣስ ተጸበዩና። 6ንሕና ግና ድሕሪ በዓላት ቅጫ ኻብ ፊልጲ ብመርከብ ነቒልና ብሓሙሽተ መዓልቲ ኣብ ጥሮኣስ ናባታቶም በጻሕና፡ ኣብኣውን ሾብዓተ መዓልቲ ቐኔና። 7ብቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን፡ እንጌራ ኽንቈርስ ተኣኪብና ኸሎና፡ ጳውሎስ ንጽብሒቱ ኽብገስ ሓሲቡስ ይዛረቦም ነበረ፡ ዘረባኡ ድማ ክሳዕ ፈረቓ ለይቲ ኣንውሐ። 8ኣብቲ ተኣኪብናሉ ዝነበርና ላዕላይ ደርቢ ብዙሕ መብራህትታት ይበርህ ነበረ። 9ኣውጢኮስ ዝስሙ ጐበዝ ኣብ መስኰተ ተቐሚጡ ኸሎ፡ ከቢድ ድቃስ ወሰዶ። ጳውሎስ ዘረባኡ ምስ ኣንውሐ ኸኣ፡ ድቃስ ከቢድዎ፡ ካብ ሳልሰይቲ ደርቢ ናብ ታሕቲ ወደቐ፡ ሞይቱ ድማ ኣልዓልዎ። 10ጳውሎስ ወሪዱ ኣብ ልዕሊኡ በጥ በለ፡ ሓቑፍዎ ኸኣ፡ ነፍሱ ኣብኡ ኣላ እሞ፡ ዋይዋይ ኣይትበሉ፡ በሎም። 11ደዪቡ ድማ እንጌራ ቘሪሱ በልዐ፡ ክሳዕ ምድሪ ዝወግሕ ብዙሕ ምስ ተዛረቦም ከኣ፡ በዚ ኸምዚ ኻብኡ ነቐለ። 12ነቲ ወዲ ኸኣ ብህይወቱ ኣምጽእዎ እሞ ኣዝዮም ተጸናንዑ። 13ንሕና ቕድም ኣብ መርከብ ኣቶና፡ ጳውሎስ ምድሪ ምድሪ ክኸይድ ደልዩ፡ ንእኡ ኽንቅበሎ ሓሲብና፡— ከምኡ ኣዚዙና ነበረ እሞ፡— ንኣሶስ ኣቢልና ሓለፍና። 14ኣብ ኣሶስ ምስ ተራኸብና፡ ተቐቢልናዮ ናብ ሜጢሌኔ መጻእና። 15ንጽብሒቱ ኸኣ ካብኣ ብመርከብ ጌርና ኣብ መንጽር ክዮስ በጻሕና፡ በታ ኻልኣይቲ መዓልቲ ድማ ነታ መርከብ ኣብ ሳሞስ ኣቘምናያ፡ ንጽብሒቱ ድማ ኣብ ሚሊጦስ ኣቶና። 16እንተ ዀይኑሉስ፡ ጳውሎስ ንበዓል ሓምሳ ኣብ የሩሳሌም ከብዕል ተሃዊኹ ነበረ እሞ፡ ኣብ እስያ ምእንቲ ኸይድንጒ ኢሉ፡ ናብ ኤፌሶን ከይኣቱ ምኽሩ ወድአ። 17ካብ ሚሊጦስ ናብ ኤፌሶን ልኢኹ፡ ነቶም ሽማግሌታት ማሕበር ናብኡ ጸውዖም። 18ናብኡ ምስ መጹ ኸኣ በሎም፡ ካብታ ናብ እስያ ዝኣቶኹላ ቐዳመይቲ መዓልቲ ጀሚሩ ዂሉ ግዜ ምሳኻትኩም ከመይ ከምዝነበርኩ፡ ንስኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም። 19ብዂሉ ትሕትናን ብብዙሕ ንብዓትን ብውዲት ኣይሁድ ብዝበጽሓኒ ፈተናን ንጐይታ ኸመይ ገይረ ኸም ዘገልገልክዎ፡ 20-21ንኣይሁድን ንጽርኣውያንን ብንስሓ ናብ ኣምላኽ ክምለሱ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ከኣ ክኣምኑ እናመስከርኩ፡ ዝጠቅም ዘበለ እናሰበኽኩልኩም ኣብ ዋዕላ ዀነ ኣብ ቤት ኰነ ምምሃርኩም ከቶ ኣየብኰርኩን። 22-23ሕጂ ግና እንሆ፡ ኣነ ብመንፈስ ተኣሲረ ናብ የሩሳሌም እኸይድ ኣሎኹ፡ ብዘይ እታ፡ መንፈስ ቅዱስ፡ ማእሰርትን ጸበባን ክጸንሓካ እዩ፡ እናበለ ኣብ ከከተማኡ ዝምስክረለይ ዘሎ እንተ ዘይኰይናስ፡ ኣብ የሩሳሌም እንታይ ከም ዝረኽበኒ ኣይፈልጥን እየ። 24ጒያይን ብጐይታና የሱስ እተቐበልክዋ መልእኽተይን ክፍጽም፡ ወንጌል ጸጋ ኣምላኽ እናመስከርኩ ህይወተይውን ብኣይሲ ኸም ክብርቲ ገይረ ኣይርእያን እየ። 25ሕጂ ድማ እንሆ፡ ንስኻትኩም ኲላትኩም፡ እናዞርኩ መንግስቲ ኣምላኽ ዝሰበኽኩልኩም፡ ደጊም ገጸይ ከም ዘይትርእዩ፡ እፈልጥ ኣሎኹ። 26-27ኲሉ ምኽሪ ኣምላኽ ነገርኩኹም እምበር፡ ዘትረፍኩልኩም የብለይን እሞ፡ ካብ ደም ኲልኻትኩም ንጹህ ምዃነይ ሎም መዓልቲ እምስክረልኩም ኣሎኹ። 28ስለዚ ንርእስኹምን ነታ ብገዛእ ደሙ ዘጥረያ ማሕበር ጐይታን ክትጓስዩ፡ መንፈስ ቅዱስ ኤጲስቆጶሳት ገይሩ ኣብኣ ዝሸመኩም ኲሉ መጓሰ ሓልዉ። 29ኣነ ምስ ኣግለስኩ፡ ነቲ መጓሰ ዘይንሕፉ እኩያት ተዃሉ ኸም ዝኣትዉኹም፡ እፈልጥ ኣሎኹ። 30ንደቀ መዛሙርቲ ደድሕሪኦም ምእንቲ ኽስሕቡ፡ ቄናን ነገር ዝምህሩ ኻባኻትኩም ክትንስኡ እዮም። 31ስለዚ ሰለስተ ዓመት ምሉእ ለይትን መዓልትን ብንብዓት ንነፍሲ ወከፍኩም ምምዓድ ከም ዘየብኰርኩ፡ እናዘከርኩም ንቕሑ። 32ሕጂ ድማ ንኣምላኽን ነቲ ኽሃንጸኩምን ምስ ኲላቶም ቅዱሳን ከረስትየኩምን ዝኽእል ቃል ጸጋኡን አማሕጽነኩም ኣሎኹ። 33ብሩር ኰነ ወይ ወርቂ ወይ ክዳን ካብ ሓደ እኳ ኣይደሌኹን። 34ንኣይን ነቶም ምሳይ ዝነብሩን እዘን ኣእዳወይ ከም ዘገልግላ ባዕላትኩም ትፈልጡ ኢኹም። 35ነቲ ጐይታና የሱስ ባዕሉ፡ ካብ ምቕባልሲ ምሃብ ኣዝዩ ይባርኽ፡ ዝበሎ ቓል እናዘከርካ፡ ከምዚ ጌርካ፡ ምዕያይን ንድኹማት ምእላይን ከም ዝግባእ፡ ብዂሉ ኣርኤኹኹም። 36እዚ ምስ በለ ኸኣ፡ ተምበርኪኹ ምስ ኲሎም ሓቢሩ ጸለየ። 37ኲላቶም ከኣ ብዙሕ በኸዩ፡ ንጳውሎስ ድማ ብኽሳዱ ሓኒቖም ሰዓምዎ። 38ካብ ኲሉ ኸኣ ስለቲ፡ ደጊምሲ ገጸይ ኣይክትርእዩን ኢኹም፡ ዝበሎ ቃል ኣዝዮም ጐሃዩ። ክሳዕ እታ መርከብውን ኣፋነውዎ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ግ.ሃዋ. ምዕራፍ 21
1ኰነ ድማ፡ ካባታቶም ተፈሊና ብመርከብ ምስ ተበገስና፡ መገድና ኣቕኒዕና ናብ ቆስ መጻእና፡ ንጽብሒቱ ኸኣ ንሮዶስ፡ ካብኣውን ናብ ጳጥራ ኣቶና። 2ናብ ፊንቄ እትኸይድ መርከብ ምስ ረኸብና ኸኣ፡ ብእኣ ጌርና ነቐልና። 3ንቆጵሮስ ኣማዕዲና ርኢናያስ፡ ንጸጋምና ሓዲግናያ ናብ ሶርያ ኣበልና። ጽዕነት እታ መርከብ ኣብ ጢሮስ ዝራገፍ ነበረ እሞ፡ ናብኣ ኣቶና። 4ደቀ መዛሙርቲ ረኺብናስ፡ ኣብኣ ሾብዓተ መዓልቲ ቐኔና እሞ፡ ንሳቶም ብመንፈስ ተደሪኾም፡ ንጳውሎስ ናብ የሩሳሌም ከይድይብ ነገርዎ። 5ኰነ ኸኣ፡ እተን መዓልትታት እቲኣተን ምስ ኣሕለፍና፡ ክንከይድ ወጻእና። ኲላቶም ድማ ምስ ኣንስቶምን ደቆምን ኰይኖም ክሳዕ ወጻኢ እታ ኸተማ ኣፋነዉና፡ ኣብቲ ገምገም ባሕሪ ዄንና ኸኣ ተምበርኪኽና ጸሌና። 6ንሓድሕድና ደሓን ውዓሉ ተባሃሂልና ኸኣ፡ ናብታ መርከብ ደየብና፡ ንሳቶምውን ነንገዛኦም ተመልሱ። 7ንሕና ግና ብመርከብ ምኻድ ምስ ወዳእና፡ ካብ ጢሮስ ናብ ጵቶልማዮስ በጻሕና፡ ነቶም ኣሕዋት ሰላም ኢልና ኸኣ፡ ምሳታቶም ሓንቲ መዓልቲ ወዓልና። 8ንጽብሒቱ ኻብኣ ወጺእና ናብ ቂሳርያ መጻእና፡ ኣብ ቤት ፊልጶስ ወንጌላዊ፡ ካብቶም ሾብዓተስ ሓደ ዝነበረ፡ ኣቲና ኣብኣ ቐኔና። 9ንሱ ትንቢት ዝንበያ ኣርባዕተ ደናግል ኣዋልዱ ነበራኦ። 10ሓያሎ መዓልቲ ምስ ገበርና፡ ኣጋቦስ ዝስሙ ነብዪ ኻብ ይሁዳ ወረደ። 11ናባና መጺኡ ኸኣ፡ ቅናት ጳውሎስ ወሲዱ፡ ኣእዳዉን ኣእጋሩን ብእኡ ተኣሰረ እሞ፡ ንዋና እዛ ቕናት እዚኣ ኣይሁድ ኣብ የሩሳሌም ከምዚ ገይሮም ኣሲሮም ናብ ኢድ ኣህዛብ ኣሕሊፎም ክህብዎ እዮም፡ ይብል መንፈስ ቅዱስ፡ በለ። 12እዚ ምስ ሰማዕና፡ ንሕናን እቶም ደቂ እታ ዓድን ናብ የሩሳሌም ከይድይብ ንጳውሎስ ለመንናዮ። 13ሽዑ ጳውሎስ፡ ኣቱም እትበኽዩን ንልበይ እትሰብሩን፡ እንታይ ትገብሩ ኣሎኹም፧ ኣነ ምእንቲ ስም ጐይታና የሱስ ኣብ የሩሳሌም ንሙማት ድማ እምበር፡ ንማእሰርቲ ጥራይ እኳ ኣይኰንኩን ተዳልየ ዘሎኹ፡ ኢሉ መለሰሎም። 14ምስማዕ ምስ ኣበየና ኸኣ፡ ፍቓድ ጐይታ ይኹን፡ ኢልና ሃዳእና። 15ድሕርዚ ቕነዚ ተዳሊና ናብ የሩሳሌም ደየብና። 16ሓያሎ ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ ካብ ቂሳርያ ምሳና መጹ፡ ናብ ምናሶን፡ ብዓል ቆጵሮስ ናይ ቀደም ወደ መዝሙር፡ ክንኣቱውን መርሑና። 17ናብ የሩሳሌም ምስ መጻእና ኸኣ፡ እቶም ኣሕዋት ብሓጐስ ተቐበሉና። 18ንጽብሒቱ ጳውሎስ ምሳና ናብ ያእቆብ በጽሐ፡ ኲላቶም እቶም ሽማግሌታት ከኣ ኣብኡ ተኣከቡ። 19ሰላም ምስ በሎም ከኣ፡ በገልግሎቱስ ኣምላኽ ኣብ ኣህዛብ ዝገበሮ በብሓደ ተር ኣቢሉ ነገሮም። 20እዚ ምስ ሰምዑ፡ ንኣምላኽ ኣመስጊኖም በልዎ፡ ዎ ሓውና፡ ካብ ኣይሁድ ክንደይ ኣእላፋት ከም ዝኣመኑ ትርኢ ኣሎኻ፡ ኲላቶም ከኣ ብዛዕባ ሕጊ ቕንኣት ኣለዎም። 21ኣብ ማእከል ኣህዛብ ንዘለዉ ዂላቶም ኣይሁድ ከኣ ካብ ሙሴ ኽርሕቁ ደቆም ከይግዘሩ ብስርዓቶምውን ከይነብሩ ኢልካ ኸም እትምህር፡ ሰሚዖምልካ ኣለው። 22ምምጻእካ ሰሚዖም ዂላቶም ከይተኣከቡ ኣይተርፉን እዮም፡ እሞኸ እንታይ ይገበር፧ 23እምብኣርከ እዚ እንብለካ ግበር፡ መብጽዓ ዘለዎም ኣርባዕተ ሰብኣይ ኣለዉና፡ 24ተማልኣዮም እሞ ምሳታቶም ንጻህ፡ ርእሶም ክላጸዩውን ኣብ ክንድኦም ዕደየሎም። ሽዑ ንስኻ ባዕልኻ እኳ ሕጊ እናሓሎኻ ኸም እትመላለስን እዚ ብዛዕባኻ ዝሰምዕዎ ዘበለ ኸንቱ ምዃኑን ኲላቶም ክፈልጡ እዮም። 25ብዛዕባ እቶም ዝኣመኑ ኣህዛብ ግና ተማኺርና፡ ንጣኦታት እተሓርደን ንደምን ንሕኑቕን ንዝሙትን ክሓርሙ ኣዚዝናዮም ኣሎና። 26ሽዑ ጳውሎስ ነቶም ሰባት ሒዙ ንጽብሒቱ ምሳታቶም ምስ ነጽሀ፡ ነፍሲ ወከፎም መስዋእቲ ምእንቲ ከቕርቡ፡ መዓልቲ ምንጽሆም ከም ዝመልአ ኽነግር ናብ ቤት መቕደስ ኣተወ። 27እተን ሾብዓተ መዓልቲ ኽውድኣ ምስ ቀረባ ኸኣ፡ ካብ እስያ ዝመጹ ኣይሁድ ኣብ ቤተ መቕደስ ምስ ረኣይዎ፡ ንዂሉ እቲ ህዝቢ ኣናዒቦም፡ ኣእዳዎም ዘርጊሖም ሓዝዎ እሞ፡ 28ኣቱም ሰብ እስራኤል፡ ንዑ ደግፉና፡ እቲ ኣብ ፍቕዳ ሃገር ምስ እዚ ህዝቢ እዝን ምስ እዚ ሕጊ እዝን ምስ እዛ ስፍራ እዚኣን ዘይላገብ ንዂሉ ሰብ ዝምህር ሰብኣይ እዚ እዩ፡ ኣብ ርእሲ እዚ ድማ ጽርኣውያን ናብዛ መቕደስ እዚኣ ኣእትዩ፡ ነዛ ቅድስቲ ስፍራ ኣርኪስዋ፡ ኢሎም ጨደሩ። 29ቅድም ንጥራፊሞስ ብዓል ኤፌሶን ምስኡ ኣብ ከተማ ርእዮምዎ ነበሩ እሞ፡ ጳውሎስ ኣብታ መቕደስ ዘእተዎ መሲልዎም ነበረ። 30ብዘላ እታ ኸተማ ከኣ ኣዕገርገረት፡ ህዝቢ ድማ ተኣከበ፡ ንጳውሎስ ሒዞም ካብ መቕደስ ንወጻኢ ሰሓብዎ፡ ብኡብኡውን ነቲ መዓጹ ሸጐርዎ። 31ክቐትልዎ ምስ ደለዩ ድማ፡ የሩሳሌም ብዘላ ኸም እተነዓበት፡ ኣብቲ ሓለቓ ሽሕ ወረ በጽሐ። 32ሽዑ ጭፍራ ምስ ሓላቑኦም ሒዙ ናባታቶም ጐየየ፡ ነቲ ሓለቓ ሽሕን ጭፍራኡን ምስ ረኣዩ ኸኣ፡ ንጳውሎስ ምዝባጡ ሓደጉ። 33ድሕርዚ እቲ ሓለቓ ሽሕ ቀሪቡ ኣትሓዞ፡ ብኽልተ መቕሕ ክኣስርዎ ኸኣ ኣዘዘ፡ መን ምዃኑን እንታይ ከም ዝገበረንውን ሓተተ። 34እቶም ህዝቢ ዓው ኢሎም፡ ገሊኦም ከምዚ ገሊኦምውን ከምቲ ይብሉ ነበሩ። ብምኽንያት እቲ ጭራሕ ምራሕ ርግጹ ምፍላጥ ምስ ሰኣነ ኸኣ፡ ናብ ሰፈር ከብጽሕዎ ኣዘዘ። 35-36ብዙሕ ህዝቢ ኸኣ፡ ንየው በሎ፡ ኢሉ እናጨደረ ይስዕብ ነበረ እሞ፡ ኣብቲ መደያይቦ ምስ በጽሐ። እቲ እኩብ ህዝቢ ምእንቲ ኸይሃስዮ ኢሎም፡ እቶም ጭፍራ ተሰከምዎ። 37ናብ ሰፈር ከእትውዎ ምስ ደለዩ ድማ፡ ጳውሎስ ነቲ ሓለቓ ሽሕ፡ ክዛረበካዶ ትፈቕደለይ ኢኻ፧ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ዘረባ ጽርኢዶ ትፈልጥ ኢኻ፧ 38ቅድሚ እዚ ወርሒ እዚ ኣናዒብካስ፡ ኣርባዕተ ሽሕ ቀተልቲ ነፍሲ ናብ በረኻ ዘውጻእካ ግብጻዊዶ ንስኻ ኣይኰንካን፧ በሎ። 39ጳውሎስ ግና፡ ኣነስ ኣይሁዳዊ ሰብኣይ፡ ብዓል ጠርሴስ ናይ ቂልቅያ፡ ወዲ እታ ስምይቲ ኸተማ እየ፡ ንህዝቢ ኽዛረብ ክትፈቕደለይ፡ እልምነካ ኣሎኹ፡ በለ። 40ሽዑ ጳውሎስ፡ ምስ ተፈቕደሉ፡ ኣብቲ መደያይቦ ደው ኢሉ ነቶም ህዝቢ ብኢዱ ኣመልከቶም፡ ጸጥ ምስ በሉ ኸኣ፡ ብቛንቋ እብራይስጢ ተዛረቦም፡ ከምዚ ኢሉ፡
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ግ.ሃዋ. ምዕራፍ 22
1ኣቱም ኣቦታተይን ኣሕዋተይን፡ እዚ ሕጂ ኣባኻትኩም ዝመጻረየሉ ነገር ስምዑኒ። 2ብቛንቋ እብራይስጢ ኽዛረብ ምስ ሰምዕዎ፡ ኣዝዮም ጸጥ በሉ። ንሱ ኸኣ በለ፡ 3ኣነስ ኣብ ጠርሴስ ናይ ቂልቅያ እተወለድኩ ኣይሁዳዊ ሰብኣይ እየ። ሕጊ ኣቦታት ኣጸቢቐ እናተመሃርኩ ኸኣ፡ ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ኣብ ትሕቲ እግሪ ገማልኤል እየ ዝዓበኹ። ከምዚ ዂላትኩም ሎም ዘሎኹምዎ ኸኣ፡ ብናይ ኣምላኽ ቀናእ ኰንኩ። 4ሰብኡትን ኣንስትን ኣኣሲረ፡ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣሕሊፈ እናሃብኩ፡ ነዛ መገዲ እዚኣ ኽሳዕ ሞት ሰጎግኩዋ። 5ምእንቲ ክቕጽዑ ኸኣ ንኣታቶም ኣኣሲረ ናብ የሩሳሌም ከምጽኦም፡ እቲ ሊቀ ኻህናትን ኲላቶም ዓበይቲ፡ ካባታቶም ነሕዋት ደብዳቤታት ተቐቢለ፡ ናብ ደማስቆ ምኻደይ ይምስክሩለይ እዮም። 6ኰነ ድማ፡ ክኸይድ ከሎኹ፡ ናብ ደማስቆ ምስ ቀረብኩ፡ ኣጋ ቐትሪ ብድንገት ካብ ሰማይ ዓብዪ ብርሃን ኣብርሃለይ። 7ኣብ ምድሪ ኸኣ ወደቕኩ፡ ሳውል፡ ሳውል፡ ንምንታይ እትሰጐኒ፧ ዝብለኒ ድምጺውን ሰማዕኩ። 8ኣነ ድማ፡ ጐይታይ፡ ንስኻ መን ኢኻ፧ ኢለ መለስኩሉ። ንሱውን ኣነ እቲ ንስኻ እትሰጎ ዘሎኻ የሱስ ናዝሬታዊ እየ፡ በለኒ። 9እቶም ምሳይ ዝነበሩ ነቲ ብርሃን ረኣይዎ፡ ናይቲ ዝዛረበኒ ዝነበረ ድምጺ ግና ኣይሰምዑን። 10ሽዑ ኸኣ፡ ጐይታይ፡ እንታይ እግበር፧ በልክዎ። ጐይታ ድማ፡ ተንሲእካ ናብ ደማስቆ እቶ፡ እቲ ኽትገብሮ እተሰርዓልካ ዘበለ ኸኣ ኣብኣ ኽነግሩኻ እዮም፡ በለኒ። 11ብምንጽብራቕ እቲ ብርሃን ምርኣይ እንተ ሰኣንኩ ድማ፡ እቶም ምሳይ ዝነበሩ መሪሖም ናብ ደማስቆ ኣእተዉኒ። 12ሃናንያ ዝብሃል፡ ከም ሕጊ ገይሩ ንእግዚኣብሄር ዝፈርህ፡ ኣብኣ ዝነብሩ ዂላቶም ኣይሁድ ጽቡቕ ምስክር ዝመስከሩሉ ሰብኣይ፡ 13ናባይ መጺኡ ኣብ ጥቓይ ደው ኢሉ፡ ሳውል ሓወይ፡ ርኤ፡ በለኒ። ኣነ ድማ ብኡብኡ ርኤኹ እሞ ጠመትክዎ። 14-15ንሱ ኸኣ፡ ኣምላኽ ኣቦታትና ብዝርኤኻዮን ብዝሰማዕካዮን ኣብ ኲሉ ሰብ ምስክር ምእንቲ ኽትኰኖን፡ ፍቓዱ ኽትፈልጥን ነቲ ጻድቕ ከኣ ክትርእዮን ካብ ኣፉውን ቃል ክትሰምዕ ቅድም ሓረየካ። 16ሕጂኸ ንምንታይ እትድንጒ፡ ተንሲእካ ተጠመቕ፡ ስም ጐይታ ጸዊዕካ ኻብ ሓጢኣትካ ተሓጸብ፡ በለኒ። 17ኰነ ድማ፡ ናብ የሩሳሌም ተመሊሰ፡ ኣብ መቕደስ ኰይነ ኽጽሊ ኸሎኹ፡ ተመሰጥኩ እሞ፡ 18ነቲ ብዛዕባይ እትምስክሮ ኣይቅበሉኻን እዮም፡ ስለዚ ኻብ የሩሳሌም ቀልጢፍካ ውጻእ፡ ክብለኒ ኸሎ ርኤኽዎ። 19ኣነ ኸኣ፡ ጐይታይ፡ ኣነ ነቶም ብኣኻ ዝኣምኑ እኣስሮምን ኣብ ቤት ጸሎት እወቕዖምን ከም ዝነበርኩ፡ ባዕላቶም ይፈልጡ እዮም። 20ደም እስጢፋኖስ ምስክርካ ከፍስሱ ኸለዉ ድማ፡ ባዕለይ ምሳታቶም ሰሚረ ኣብኡ ደው ኢለ ነይረ፡ ክዳውንቲ እቶም ዝቐተልዎውን ሓሎኹ፡ በልክዎ። 21ንሱ ኸኣ፡ ኣነ ንርሑቕ ናብ ኣህዛብ እልእከካ ኣሎኹ እሞ፡ ኪድ፡ በለኒ። 22ክሳዕ እዚ ቓልዚ ሰምዕዎ። ድሕሪኡ ግና ድምጾም ዓው ኣቢሎም፡ ከምዚ ዝበለ ሰብ ብህይወት ክነብር ኣይግብኦን እዩ እሞ፡ ካብ ምድሪ ይርሓቕ፡ በሉ። 23ንሳቶም እናጨደሩ ኽዳውንቶም እናደርበዩ፡ ሓመድ ንላዕሊ እንተ በተኑ፡ 24እቲ ሓለቓ ሽሕ፡ ነቲ ዝጭድሩሉ ዘለዉ ምኽንያቱ ምእንቲ ኽፈልጥሲ፡ ብመግረፍቲ ኽምርመር ናብ ሰፈር ከእትውዎ ኣዘዘ። 25ክገርፍዎ በጥ ምስ ኣበልዎ ኸኣ፡ ጳውሎስ ነቲ ደው ኢሉ ዘሎ ሓለቓ ሚእቲ፡ ንሮማዊ ሰብ ብዘይ ፍርዲ ኽትገርፍዶ ተፈቒዱልኩም እዩ፧ በሎ። 26እቲ ሓለቓ ሚእቲ እዚ ምስ ሰምዐ፡ ከይዱ ነቲ ሓለቓ ሽሕ፡ እዚ ሰብኣይ ሮማዊ እዩ እሞ፡ እቲ እትገብሮ ዘሎኻ ፍለጥ፡ ኢሉ ነገሮ። 27እቲ ሓለቓ ሽሕ ከኣ መጺኡ፡ ኣታ፡ ሮማዊ ዲኻ፧ እስኪ ንገረኒ፡ በሎ። ንሱ ድማ፡ እወ፡ በለ። 28እቲ ሓለቓ ሽሕ ከኣ፡ ኣነ ንርእሰይ ሮማዊ ንምዃን ብዙሕ ገንዘብ ሂበ ኣሎኹ፡ ኢሉ መለሰሉ። ጳውሎስ ከኣ፡ ኣነስ እባ ተወሊደሉ እየ፡ በሎ። 29እቶም ክምርምርዎ ኢሎም ዝነበሩ ቐልጢፎም ካብኡ ኣግለሱ። እቲ ሓለቓ ሽሕ ድማ ሮማዊ ምዃኑ ምስ ፈለጠ፡ ስለ ዝኣሰሮ ፈርሀ። 30ኣይሁድ ብዛዕባ እንታይ ከም ዝኸሰስዎ ርግጽ ነገር ክፈልጥ ደልዩ ኸኣ፡ ንጽብሒቱ ፈትሖ፡ ንሊቃውንቲ ኻህናትን ንብዘሎ እቲ ዋዕላን ከኣ ክእከቡ ኣዘዞም፡ ንጳውሎስ ድማ ኣውሪዱ ኣብ ቅድሚኦም ኣቘሞ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ግ.ሃዋ. ምዕራፍ 23
1ሽዑ ጳውሎስ ነቶም ዋዕላ ጠሚቱ፡ ኣቱም ኣሕዋተይ፡ ኣነ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብዂሉ ብሰናይ ሕሊና እየ እተመላለስኩ፡ በሎም። 2ሃናንያ፡ እቲ ሊቀ ኻህናት፡ ግና ነቶም ኣብ ጥቓኡ ደው ኢሎም ዘለዉ ኣፉ ኽዘብጥዎ ኣዘዞም። 3ጳውሎስ ከኣ ንእኡ፡ ኣታ ልቕሉቕ ጊድግዳ፡ ኣምላኽ ክዘብጠካ እዩ። ንስኻ ኸምቲ ሕጊ ጌርካ ኽትፈርደኒ ተቐሚጥካ ኣሎኻ፡ እሞኸ ሕጊ ኣፍሪስካዶ ኽዘብጡኒ ትእዝዝ ኣሎኻ፧ በሎ። 4እቶም ኣብ ጥቓኡ ደው ኢሎም ዘለዉ ኸኣ፡ ንሊቀ ኻህናት ኣምላኽዶ ትጸርፎ ኣሎኻ፧ በልዎ። 5ጳውሎስ ድማ፡ ኣሕዋተይ፡ ንሹም ህዝብኻ ኣይትጽረፍ፡ ተጽሒፉ ኣሎ እሞ፡ ሊቀ ኻህናት ምዃኑ ኣይፈለጥኩን፡ በሎም። 6ጳውሎስ ከኣ ገሊኦም ሰዱቃውያን ገሊኦምውን ፈሪሳውያን ምዃኖም ምስ ፈለጠ፡ ኣብቲ ዋዕላ ዓው ኢሉ፡ ኣቱም ኣሕዋተይ፡ ኣነ ፈሪሳዊ፡ ወዲ ፈሪሳዊ እየ። ብዛዕባ ተስፋን ትንሳኤ ምዉታትን ይፍረደኒ ኣሎ፡ በለ። 7-8ሰዱቃውያን፡ ትንሳኤ ዀነ መልኣኽ ኰነ መንፍስ ኰነ የልቦን፡ ይብሉ፡ ፈሪሳውያን ግና ነዚ ዂሉ ይኣምኑ ነበሩ እሞ፡ እዚ ምስ ተዛረበ፡ ኣብ መንጎ ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ባእሲ ዀነ፡ እቲ ኣኼባውን ተኻፋፈለ። 9ብዙሕ ጫውጫው ድማ ኰነ፡ ካብ ወገን ፈሪሳውያን ከኣ ሓያሎ ጸሓፍቲ፡ ኣብዚ ሰብኣይዚ ገለ ኽፉእ እኳ ኣይረኸብናን። መንፈስ ወይስ መልኣኽ ተዛሪብዎ እንተ ዀነኸ፡ ከመይ ደኣ ይኹን፧ ኢሎም ተንሲኦም ተኻራኸሩ። 10ብዙሕ ባእሲ ምስ ኰነ፡ እቲ ሓለቓ ሽሕ፡ ንሳቶም ንጳውሎስ ከይምንዝዕዎ ፈሪሁ፡ ነቶም ጭፍራ ወሪዶም ካብ ማእከሎም ዘሪፎም ናብ ሰፈር ከብጽሕዎ ኣዘዞም። 11ጐይታ ኸኣ በታ ድሕሪኣ ዘላ ለይቲ፡ ጳውሎስ፡ ከምቲ ኣብ የሩሳሌም ብዛዕባይ ዝመስከርካዮ ኸምኡውን ኣብ ሮሜ ኽትምስክረለይ ይግብኣካ እዩ እሞ፡ ኣጆኻ፡ ኢሉ ኣብ ቅድሚኡ ደው በለ። 12ምድሪ ምስ ወግሐ ኸኣ፡ ኣይሁድ ንጳውሎስ ክሳዕ ዝቐትልዎ ኸይበልዑን ከይሰትዩን ሰሚሮም ተማሓሓሉ። 13እቶም ነዚ ኽገብሩ እተማሓሓሉ ኸኣ ካብ ኣርብዓ ይበዝሑ ነበሩ። 14ንሳቶም ከኣ ናብ ሊቃውንቲ ኻህናት ናብ ዓበይትን መጺኦም፡ ንሕና ንጳውሎስ ከይቀተልናዮ ገለ እኳ ኸይንጥዕም፡ ብመርገም ተማሓሒልና ኣሎና። 15ሕጂ ኸኣ ንስኻትኩም ምስ ዋዕላ ዄንኩም ነቲ ሓለቓ ሽሕ ናባኻትኩም ከውጽኦ ብዛዕባኡ ኣጸቢቕኩም ክትምርምሩ ኸምዝደሌኹም ጌርኩም ንገርዎ፡ ንሕና ኸኣ ኣባኻትኩም ከይበጽሐ ኽንቀትሎ ተዓጢቕና ኣሎና፡ በልዎም። 16ወዲ ሓብቱ ንጳውሎስ ከኣ ነዚ ውዲቶም ሰሚዑ ኸደ እሞ ናብቲ ሰፈር ኣትዩ ንጳውሎስ ነገሮ። 17ጳውሎስ ድማ ካብቶም ሓላቑ ሚእቲ ንሓደ ጸዊዑ፡ እዚ ወድዚ ንሓለቓ ሽሕ ዝነግሮ ዘረባ ኣለዎ እሞ፡ ናብኡ ዀታ ኣእትወለይ፡ በሎ። 18ንሱ ኸኣ ሒዙ ምስኡ ወሲዱ ናብቲ ሓለቓ ሽሕ ኣእተዎ እሞ፡ ጳውሎስ፡ እቲ እሱር፡ ናብኡ ጸዊዑ እዚ ወድዚ ዝነግረካ ዘረባ ኣልይዎስ፡ ናባኻ ክኣትወሉ ለሚኑኒ፡ በሎ። 19እቲ ሓለቓ ሽሕ ከኣ ብኢዱ ሒዙ ወሰዶ፡ ንበይኑ ኣግሊሱ ድማ፡ እቲ ኽትነግረኒ እትደልዮ እንታይ እዩ፧ ኢሉ ሓተቶ። 20ንሱ ኸኣ፡ ኣይሁድ ንጳውሎስ፡ ብዛዕባኡ ኣጸቢቕካ ኽትሓቶ ኸም ዝደሌኻ መሲልካ፡ ጽባሕ ናብ ዋዕላ ኽተውርደሎም ክልምኑኻ ተማኺሮም ኣለዉ። 21ካባታቶም ካብ ኣርብዓ ሰብኣይ ዝበዝሑ ኣድብዮምሉ ኣለዉ፡ ንእኡ ኽሳዕ ዝቐትልዎ ኸይበልዑን ከይሰትዩን ከኣ፡ ብርእሶም ምሒሎም ኣለዉ እሞ ሕጂ ተዓጢቖም ካባኻ ተስፋ ይጽበዩ ኣለዉ፡ ንስኻ ግና ሕራይ ኣይትበሎም፡ ኢሉ መለሰሉ። 22ድሕርዚ እቲ ሓለቓ ሽሕ ነቲ ወዲ፡ እዚ ንኣይ ከም ዘፍለጥካኒ ንሓደ እኳ ኣይትንገር፡ ኢሉ ኣዘዞ እሞ ሰደዶ። 23ንኽልተ ሓላቑ ሚእቲ ጸዊዑ ኸኣ፡ ክሳዕ ቂሳርያ ክኸዱ፡ ክልተ ሚእቲ ዓቀይታይ፡ ሰብዓ ፈረሰኛ፡ ክልተ ሚእቲ ሰብ ኲናት ለይቲ ብሳልሰይቲ ሰዓት ኣዳልዉ፡ በሎም። 24ንጳውሎስ ምእንቲ ኸስርርዎ መጽዓኛ ኽማልኡ ብደሓኑውን ኣብ ፌሊክስ፡ ኣብቲ ራእሲ፡ ከብጽሕዎ ኣዘዘ። 25ከምዚ ኢሉ ኸኣ ደብዳበ ጸሓፈ፡ 26ቅላውዴዎስ ሊስያስ ንፌሊክስ፡ ነቲ ልኡል ራእሲ፡ ሰላም ይብሎ ኣሎ። 27ነዚ ሰብኣይዚ ኣይሁድ ሒዞም ክቐትልዎ ደልዮም ከለዉ፡ ሮማዊ ምዃኑ ምስ ፈለጥኩ፡ ኣነ ምስ ጭፍራ መጺአ ኣናገፍክዎ። 28እቲ ዝኸሱሉ ምኽንያት ክፈልጥ ደልየ ኸኣ፡ ናብ ዋዕላኦም ኣውረድክዎ። 29ሽዑ ስለ ኽርክር ሕጎም ከም ዝኸሰስዎ ረኸብኩ እምበር፡ ናብ ሞት ወይስ ናብ ማእሰርቲ ዘብጽሕ ክሲ ከቶ ኣይረኸብኩሉን። 30ኣብዚ ሰብኣይዚ ውዲት ከም ዝገበሩ ምስ ሰማዕኩ ኸኣ፡ ብቕልጡፍ ናባኻ ሰዲደዮ፡ ነቶም ከሰስቱውን ኣብ ቅድሜኻ ክኸስዎ ኣዚዘዮም ኣሎኹ። ደሓን ኩን። 31እቶም ዓቀይቲ ድማ፡ ከምቲ እተኣዘዝዎ፡ ንጳውሎስ ብለይቲ ወሲዶም፡ ኣብ ኣንቲጳጥሪስ ኣብጽሕዎ። 32ንጽብሒቱ ነቶም ፈረሰኛታት ምስኡ ይኺዱ ሓደግዎም፡ ንሳቶም ግና ናብ ሰፈር ተመልሱ። 33እቲኣቶም ኣብ ቂሳርያ ምስ ኣተዉ ኸኣ፡ እታ ደብዳበ ነቲ ራእሲ ሃብዎ። ንጳውሎስውን ኣብ ቅድሚኡ ደው ኣበልዎ። 34ነታ ደብዳበ ምስ ኣንበባ ድማ፡ ብዓል ኣየነይቲ ሃገር ምዃኑ ሓተቶ። ብዓል ቂልቅያ ምዃኑ ምስ ፈለጠ፡ 35ከሰስትኻ ምስ መጹ ሽዑ እሰምዓካ፡ በሎ። ኣብ ኣዳራሽ ሄሮድስ ኣእትዮም ክሕልውዎ ኸኣ ኣዘዘ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ግ.ሃዋ. ምዕራፍ 24
1ድሕሪ ሓሙሽተ መዓልቲ ሃናንያ፡ እቲ ሊቀ ኻህናት፡ ምስ ሓያሎ ዓበይትን ጠርጠሎስ ምስ ዝብሃል ሓደ ኸኣል ዘረባን ወረደ። ንሳቶም ድማ ንጳውሎስ ኣብ ቅድሚ እቲ ራእሲ ኸሰስዎ። 2ንሱ ምስ ተጸውዐ ድማ፡ ጠርጠሎስ ከምዚ ኢሉ ክኸሶ ጀመረ፡ 3ዎ ልኡል ፌሊክስ፡ ብኣኻ ብዙሕ ሰላም ከም ዝረኸብና፡ ብምህዞኻ ድማ ነዚ ህዝቢዚ ብዙሕ ምሓሽ ከም ዝዀነሉ፡ ብዂሉ ኣብ ፍቕዳ ሃገር እናተኣመንና ነማስወካ ኣሎና። 4ኣዝየ ኸየንውሓልካ ግና፡ ብሓጺሩ ብለውሃት ክትሰምዓና እልምነካ ኣሎኹ። 5ንሕና ነዚ ሰብኣይዚ መራሒ ወገን ናዝሬታውያን ኰይኑ፡ ኣብ ብዓለሙ ንዘለዉ ዂላቶም ኣይሁድ ፌራን መነዓብን ኰይኑ ረኸብናዮ። 6ቤተ መቕደስ ከኣ ከርክስ ደልየ እሞ፡ ሓዝናዮ ኸም ሕግናውን ክንፈርዶ ደሌና። 7ግናኸ ሊሰያስ፡ እቲ ሓለቓ ሽሕ፡ መጺኡ ብብዙሕ ሓይሊ ኻብ ኢድና ወሰዶ። 8ንኸሰስቱ ድማ ናባኻ ኽሓልፉ ኣዘዘ። ብዛዕባዚ ንሕና እንኸሶ ዘሎና ዂሉ ኸኣ ባዕልኻ ንእኡ መርሚርካ ኸተስተውዕሎ ይከኣለካ እዩ። 9ኣይሁድውን ነቲ ኽሲ ሰሚሮም፡ እወ፡ እዚ ነገርዚ ኸምኡ እዩ፡ በሉ። 10እቲ ራእሲ ኽዛረብ ምስ ኣመልከቶ ኸኣ፡ ጳውሎስ መለሰ፡ ካብ ብዙሕ ዓመት ጀሚርካ ነዚ ህዝብዚ ፈራዲ ምዃንካ እፈልጥ እየ፡ ስለዚ ንርእሰይ ብትብዓት እመጻረየላ ኣሎኹ። 11ክሰግድ ኢለ ናብ የሩሳሌም ካብ ዝድይብ፡ ካብ ዓሰርተው ክልተ መዓልቲ ዝበዝሕ ከም ዘይገበርኩ፡ ክትፈልጦ ይከኣለካ እዩ። 12ኣብ ቤት መቕደስ ምስ ሓደ እኳ ኽዛረብ ወይስ ኣብ ህዝቢ ባእሲ ኸልዕል፡ ኣብ ኣባይቲ ጸሎት ኰነ ኣብ ከተማ ዀነ፡ ኣይረኸቡንን። 13ሕጂውን በዚ ዝኸሱኒ ዘለዉ ነገር ኣብ ብርክኻ ክረትዑሉ ኣይኽእሉን እዮም። 14ኣነ ግና ነቲ ኣብ ሕግን ነብያትን ተጽሒፉ ዘሎ ዂሉ እናኣመንኩ፡ በታ ንሳቶም መናፍቕነት ዝብልዋ ዘለዉ መገዲ ኸምኡ ገይረ ንኣምላኽ ኣቦታተይ ከም ዘምልኽ፡ እዚ እእመነልካ ኣሎኹ። 15ከምቲ ንሳቶም ንጻድቃንን ንሓጥኣንን ትንሳኤ ክኸውን ዝጽበይዎ፡ ከምኡውን ኣነ ኣብ ኣምላኽ ተስፋ ኣሎኒ። 16ስለዚ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን እንታ ዘይብሉ ሕሊና ኽህልወኒ፡ ኲሉ ግዜ እጽዕር ኣሎኹ። 17ድሕሪ ብዙሕ ዓመታት ከኣ ንህዝበይ ምጽዋት ከብጽሕን መስዋእቲ ከቕርብን መጻእኩ። 18ሽዑውን ካብ እስያ ዝመጹ ሓያሎ ኣይሁድ ብዘይ ኣኼባ ህዝብን ብዘይ ምንዓብን ኣብ ቤተ መቕደስ ነጺሀ ረኸቡኒ። 19ንሳቶም ኣባይ ገለ እንተ ዝህልዎምሲ፡ ናባኻ መጺኦም ክኸሱኒ ምተገብአ ነይሩ። 20-21ወይስ ኣብ ቅድሚ ዋዕላ ቘይመ ኸሎኹ፡ ብዘይ እዛ ኣብ ማእከልኩም ብደወይ ዓው ኢለ፡ ሎሚ ኣነ ብዛዕባ ትንሳኤ ምዉታት ኣብ ቅድሜኹም እፍረድ ኣሎኹ፡ ዝበልክዋ ሓንቲ ዘረባ እንተ ዘይኰይናስ፡ ገለ በደል ረኺቦምለይ እንተ ዀይኖም፡ እዚኣቶም ይንገሩ። 22ፌሊክስ እዚ ምስ ሰምዐ፡ ናይዛ መገዲ እዚኣ ኣጸቢቑ ስለ ዝፈለጠ፡ ሊስያስ፡ እቲ ሓለቓ ሽሕ፡ ምስ ወረደ፡ ሽዑ ነገርኩም ኣጸቢቐ ኽምርምር እየ፡ ኢሉ እቲ ነገሮም ይጽናሕ ሓደጎ። 23ነቲ ሓለቓ ሚእቲ ድማ ንጳውሎስ ክሕልዎ ማእሰርቲ ኸቕልለሉ፡ ካብ ሰቡ ኸገልግሎ እንተ ደለየውን፡ ንሓደ እኳ ኸይክልክል ኣዘዞ። 24ድሕሪ ሓያሎ መዓልቲ ኸኣ ፌሊክስ ምስታ ኣይሁዳዊት ድሩሲላ ሰበይቱ መጺኡ ንጳውሎስ ልኢኹ ጸዊዑ፡ ብዛዕባ እምነት ብክርስቶስ የሱስ ካብኡ ሰምዐ። 25ብናይ ጽድቅን ንጽህናን ብናይቲ ዝመጽእ ፍርድን ምስ ነገሮ ግና፡ ፌሊክስ ሰምቢዱ፡ ሕጅስ መገድኻ ኺድ፡ ብዝምችወኒ ግዜ ኽትመጸኒ ኽልእከልካ እየ፡ ኢሉ መለሰሉ። 26ምስናይዚ ድማ ካብ ጳውሎስ ገንዘብ ክረክብ ተስፋ ይገብር ነበረ፡ ስለዚ ብዙሕ ግዜ ለልኢኹ እናምጽአ ይዛረቦ ነበረ። 27ክልተ ዓመት ምስ ሓለፈ፡ ጶርቅዮስ ፌስጦስ ኣብ ክንዲ ፌሊክስ ተሸመ። ፌሊክስ ከኣ ንኣይሁድ ባህ ከብል ደልዩ ንጳውሎስ ብእሱሩ ሓደጎ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ግ.ሃዋ. ምዕራፍ 25
1ፌስጦስ ነታ ሽመት ምስ ሓዛ፡ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ኻብ ቂሳርያ ናብ የሩሳሌም ደየበ። 2ሊቃውንቲ ኻህናትን ሹማት ኣይሁድን ከኣ ንጳውሎስ ነገር ኣልዓሉሉ። 3ኣብ መገዲ ኣድብዮም ክቐትልዎ ደልዮም፡ ናብ የሩሳሌም ከደይበሎም ሞገስ ለመንዎ። 4ፌስጦስ ከኣ፡ ጳውሎስ ኣብ ቂሳርያ ይሕሎ ኸም ዘሎ፡ ንሱ ድማ ቀልጢፉ ናብኣ ንምውራድ ከም፡ ዝሓሰበ፡ መለሰሎም፡ 5እምብኣርሲ ኻባታትኩም እቶም ከኣልቲ ዘለዉ ምሳይ ይውረዱ እሞ ኣብቲ ሰብኣይ እቲ በደል እንተሎ፡ ይኽሰስዎ፡ በሎም። 6ምሳታቶም ኣስታት ሾሞንተ ወይስ ዓሰርተ መዓልቲ ምስ ገበረ ኸኣ፡ ናብ ቂሳርያ ወረደ። ንጽብሒቱውን ኣብ መንበር ፍርዲ ተቐሚጡ፡ ንጳውሎስ ከምጽእዎ ኣዘዘ። 7ጳውሎስ ምስ መጸ ኸኣ፡ እቶም ካብ የሩሳሌም ዝወረዱ ኣይሁድ ከቢቦምዎ ደው በሉ፡ ክረትዑሉ ዘይክእሉ ብዙሕን ከቢድን ክሲ ኸኣ ከሰስዎ። 8ጳውሎስ ድማ፡ ኣነ ንሕጊ ኣይሁድ ኰነ ንቤተ መቕደስ ወይስ ንቄሳር ኰነ ኣይበደልኩን፡ ኢሉ ተመጻረየ። 9ፌስጦስ ከኣ ንኣይሁድ ባህ ከብል ደልዩስ ንጳውሎስ፡ ናብ የሩሳሌም ክትድይብ እሞ በዚ ነገርዚ ኣብኣ ኣብ ቅድመይ ክትፍረድዶ ትፈቱ ኢኻ፧ ኢሉ መለሰሉ። 10ጳውሎስ ግና፡ ኣነ ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ እቐውም ኣሎኹ፡ ኣብኡ ኽፍረድ እየ ዝግብኣኒ፡ ንስኻ ኣጸቢቕካ ኸም እትፈልጥ ከኣ፡ ንኣይሁድ ኣይበደልክዎምን፡ 11ዓሚጸ ናብ ሞት ዘብጽሕ ገይረ እንተ ዀይነ ግና፡ ከይመውት እኳ ኣይልምንን እየ። እዚ ዝኸሱኒ ብኸምኡ እንተ ዀይኑኸ፡ ንኣታቶም ኣሕሊፉ ኽህበኒ ዝኽእል ከቶ የልቦን። ኣነ፡ ናብ ቄሳር ይግባኝ፡ ኢለ ኣሎኹ፡ በለ። 12ሽዑ ፌስጦስ ምስቶም ኣማኸርቲ ተዛሪቡ፡ ናብ ቄሳር ይግባኝ፡ ካብ በልካስ፡ ናብ ቄሳር ክትከይድ ኢኻ፡ ኢሉ መለሰሉ። 13ሓያሎ መዓልቲ ምስ ሓለፈ ኸኣ፡ ንጉስ ኣግሪጳን በርኒቄን ንፌስጦስ ክበጽሕዎ፡ ናብ ቂሳርያ ወረዱ። 14ኣብኣ ብዙሕ መዓልቲ ምስ ገበሩ ኸኣ፡ ፌስጦስ ነቲ ንጉስ ናይ ጳውሎስ ነገር ከምዚ ኢሉ ኣዘንተወሉ፡ ፌሊክስ ብእሱሩ ዝሓደጎ ሰብኣይ ኣብዚ ኣሎ፡ 15ናብ የሩሳሌም ከይደ ኸሎኹ ኸኣ፡ ሊቃውንቲ ኻህናት ኣይሁድን ዓበይቶምን መጺኦም ንእኡ ኽፈርዶ ለመኑኒ። 16ንተኸሳሲ ምስ ከሰስቱ ገጽ ንገጽ ደው ከየበልካዮ፡ በቲ ዝኸሰስዎ ኽመጻረ ግዜ ኸይሃብካዮ፡ ተቓዳዲምካ ንሓደ እኳ ኣሕሊፍካ ምሃብ ስርዓት ሮማውያን ከም ዘይኰነ ድማ፡ መለስኩሎም። 17እምብኣርስኸ ኣብዚ ምስ ተኣከቡ፡ ከየደናጔኹ ንጽብሒቱ ኣብ መንበር ፍርዲ ተቐሚጠ፡ ነቲ ሰብኣይ ከምጽእዎ ኣዘዝኩ። 18-19እቶም ከሰስቱ ደው ምስ በሉ ግና፡ ብጀካ ብናይ ኣምልኾኦም ዝዀነ ነገር ባእሲ ብዛዕባ ሓደ ምዉት፡ ጳውሎስ ግና ህያው እዩ ዝብሎ የሱስ እንተ ዘይኰይኑ፡ ንኣይ ከም ዝመሰለንስ፡ ገለ ኽፉእ ክሲ እኳ ኣየምጽኡሉን። 20ኣነ ኸኣ፡ በዚ ነገርዚ ዝገብሮ እንተ ጨነቐኒ፡ ናብ የሩሳሌም ክትድይብ እትፈቱ እንተ ዄንካ፡ በዚ ነገርዚ ኣብኣ ኽትፍረድ፡ በልክዎ። 21ጳውሎስ ግና፡ ኣብ ቄሳር ክሳዕ ዝምርመር ምእንቲ ኽሕሎ፡ ይግባኝ፡ ምስ በለ፡ ናብ ቄሳር ክሳዕ ዝሰዶ ኽሕሎ ኣዘዝኩ። 22ኣግሪጳ ኸኣ ንፌስጦስ፡ ነዚ ሰብኣይ እዝስ ኣነውን ክሰምዖ ምፈቶኹ፡ በሎ። ንሱ ድማ፡ ጽባሕ ትሰምዖ፡ በሎ። 23ንጽብሒቱ ድማ ኣግሪጳን በርኒቄን ምስቶም ሓላቑ ሽሕን ዓበይቲ ኸተማን ብብዙሕ ግርማ ናብ ኣዳራሽ ፍርዲ ኣተዉ። ፌስጦስ ከኣ ንጳውሎስ ከምጽእዎ ኣዘዘ። 24ፌስጦስ ድማ በለ፡ ዎ ንጉስ ኣግሪጳ፡ ኣቱም ምሳና ዘሎኹም ኲላትኩም ሰብ፡ እዚ እትርእይዎ ዘሎኹም ስብኣይ ደጊም ንሱ ብህይወት ክነብር ከም ዘይግብኦ፡ ኲላቶም ኣይሁድ፡ ኣብ የሩሳሌም ኰነ ኣብዚ ዀነ፡ እናጠርዑ ለመኑኒ። 25ኣነ ግና ከቶ ኣብ ሞት ዘብጽሕ ነገር ኣይረኸብኩሉን። ባዕሉ፡ ናብ ቄሳር ይግባኝ፡ ምስ በለ ኸኣ፡ ንምስዳዱ ቘሪጸ ኣሎኹ። 26ብዛዕባኡ ናብ ጐይታይ ዝጽሕፎ ፍሉጥ ነገር ግና የብለይን። ስለዚ ንሱ ምስ ተመርመረ ዝጽሕፎ ነገር ምእንቲ ኽረክብሲ፡ ናባኻትኩም፡ ምናዳ ኸኣ፡ ዎ ንጉስ ኣግሪጳ፡ ናባኻ ኣምጺአዮ ኣሎኹ። 27ማለት፡ ምኽንያት ማእሰርቱ ኸይነገርኩ፡ ንእሱር ሰብ ምስዳደይ ዕሽነት ኰይኑ ይረኣየኒ ኣሎ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ግ.ሃዋ. ምዕራፍ 26
1ኣግሪጳ ኸኣ ንጳውሎስ፡ ብናይ ርእስኻ ኽትዛረብ ተፈቒዱልካ ኣሎ፡ በሎ። ሽዑ ጳውሎስ ኢዱ ዘርጊሑ ንርእሱ ኽመጻረየላ መለሰ፡ 2-3ዎ ንጉስ ኣግሪጳ፡ ኲሉ ስርዓት ኣይሁድን ክርክሮምን ትፈልጥ ኢኻ እሞ፡ ሎሚ ምናዳ ኣብ ቅድሜኻ ብኣይሁድ እኽሰሰሉ ብዘሎኹ ዘበለ ነገር ክመጻረ ስለ እተፈቕደለይ፡ ነዛ ርእሰይ እተመስገነት ገይረ እርእያ ኣሎኹ። ስለዚ ኸኣ ብትዕግስቲ ኽትሰምዓኒ እልምነካ ኣሎኹ። 4እምብኣርስኸ ካብ ንእስነተይ ጀሚረ ኣብ ማእከል ህዝበይ ኣብ የሩሳሌም ዝነበርክዎ ንብረተይ ኲላቶም ኣይሁድ ይፈልጥዎ እዮም። 5ክምስክሩ እንተ ደለዩስ፡ ከምቲ ኻብ ኲሉ ዝጥንቀቕ ወገን ኣምልኾና ፈሪሳዊ ኸም ዝነበርኩ፡ ንሳቶም ካብ ቀደም ጀሚሮም ይፈልጡኒ እዮም። 6ሕጂ ድማ ስለቲ ኣምላኽ ነቦታትና ዝሃቦም ትጽቢት ተስፋ ኽፍረደኒ ደው ኢለ እኔኹ፡ 7ነዚ ትጽቢት እዚ ኸኣ እቶም ዓሰርተው ክልተ ዓሌትና፡ ለይትን መዓልትን ተጊሆም እናኣገልገሉ፡ ናብኡ ኽበጽሑ ተስፋ ይገብሩ ኣለዉ። ዎ ንጉስ ኣግሪጳ፡ ስለ እዛ ተስፋ እዚኣ እየ ብኣይሁድ ዝኽሰስ ዘሎኹ። 8ኣምላኽ ንምዉታት ከም ዘተንስኦም ደኣ፡ ስለምንታይ ከም ዘይእመን ነገር ጌርኩም ትርእይዎ ኣሎኹም፧ 9ኣነ ንርእሰይሲ ምስ ስም የሱስ ናዝሬታዊ ዝጻረር ነገር ክገብር ግቡአይ ምዃኑ እኳ ይመስለኒ ነይሩ። 10እዚ ድማ ኣብ የሩሳሌም ገይረዮ። ካብ ሊቃውንቲ ኻህናት ስልጣን ተቐቢለ ንብዙሓት ካብ ቅዱሳን ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእቶኽዎም፡ ክቐትልዎም ከለዉውን ሰመርኩ። 11ኣብ ኲሉ ኣባይቲ ጸሎት ድማ ብዙሕ ግዜ እናቐጻዕኩ ብሓሳር ክጸርፉ አጽብበሎም ነበርኩ። ናብተን ኣብ ወጻኢ ዘለዋ ኸተማታት ክሳዕ ዝሰጎም፡ ኣዝየ ተሃንደድክዎም። 12በዚ ነገርዚ ብትእዛዝ ሊቃውንቲ ኻህናትን ብፍቓዶምን ናብ ደማስቆ ክኸይድ ከሎኹ፡ 13ዎ ንጉስ፡ ቀትሪ ኣብ መገዲ ከሎኹስ፡ ካብ ጸሓይ ዝደምቕ ብርሃን ካብ ሰማይ ኣብ ዙርያይን ኣብ ዙርያ እቶም ምሳይ ዝኸዱ ዝነበሩን ከንጸባርቕ ከሎ ርኤኽዎ። 14ኲላትና ናብ ምድሪ ምስ ወደቕና ኸኣ፡ ብቛንቋ እብራይስጢ፡ ሳውል፡ ሳውል፡ ከመይከ እትሰጐኒ፧ ናብ ኣንፊ ብልሒ እንተ ኣድሓርሓርካ፡ ንኣኻ ይገደካ፡ ኢሉ ዝዛረበኒ ድምጺ ሰማዕኩ። 15ኣነ ድማ፡ መን ኢኻ፡ ጐይታይ፧ በልክዎ። ጐይታ ኸኣ በለኒ፡ ኣነ እቲ ንስኻ እትሰጎ ዘሎኻ የሱስ እየ። 16ግናኸ ተንስእ እሞ ብእግርኻ ደው በል፡ ነቲ ዝርኤኻዮን ኣነ ድሕርዚ ኽገልጸልካ ዘሎንን ነገር ኣገልጋልን ምስክርን ክትከውን መዲበካ ኣሎኹ፡ ስለዚ ድማ እየ እተገለጽኩልካ። 17ካብ ህዝብኻን ካብቶም ናባታቶም ዝልእከካ ኣህዛብን ከኣ ከናግፈካ እየ፡ 18ንኣይ ብምእማን ከኣ ሕድገት ሓጢኣት ርስቲ ምስ ቅዱሳንን ክረኽቡ፡ ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን፡ ካብ ስልጣን ሰይጣንውን ናብ ኣምላኽ ክምለሱ ኣዒንታቶም ክትከፍተሎም፡ እልእከካ ኣሎኹ። 19-20ዎ ንጉስ ኣግሪጳ፡ ምእንትዚ ንንስሓ ዝግባእ ግብሪ እናገበሩ ኽንስሑን ናብ ኣምላኽ ክምለሱን፡ ቅድም ኣብ ደማስቆን ኣብ የሩሳሌምን፡ ደሓር ከኣ ኣብ ኲላ ሃገር ይሁዳ ንዝነብሩን ነህዛብን ብስራት ኣበሰርኩ እምበር፡ ነቲ ሰማያዊ ራእይ ኣይኣቤኽዎን። 21ብዛዕባዚ ኸኣ ኣይሁድ ኣብ ቤተ መቕደስ ሓዙኒ ክቐትሉኒውን ሃቀኑ። 22-23ግናኸ ንዓብይን ንንእሽቶን ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ደው ኢለ እናመስከርኩ ኻብ ኣምላኽ ረዲኤት ተቐቢለ ኣሎኹ። ብዘይ እቲ ሙሴን ነብያትን ክኸውን ከም ዘለዎ እተዛረብዎ፡ ማለት፡ ክርስቶስ ሓሳረ መከራ ኸም ዝጸግብ፡ ከም በዂሪ ትንሳኤ ምዉታትውን ንህዝብን ነህዛብን ብርሃን ከም ዘበስር፡ ኢለ ሓንቲ እኳ ኣይተዛረብኩን። 24ከምዚ ኢሉ ኽመጻረ ኸሎ ድማ፡ ፌስጦስ ዓው ኢሉ፡ ኣታ ጳውሎስ፡ ተጸሊልካ ኢኻ፡ እዚ ብዙሕ ትምህርትኻ ናብ ምጽላል ኣድሂቡልካ ኣሎ፡ በሎ። 25ጳውሎስ ከኣ፡ ዎ ልኡል ፌስጦስ፡ ቃል ሓቅን ኣእምሮን እየ ዝዛረብ ዘሎኹ እምበር፡ ኣይተጸለልኩን። 26እዚ ኣነ ቅድሚኡ ደፊረ ዝዛረቦ ዘሎኹ ንጉስ ድማ ነዚ ነገርዚ ይፈልጦ እዩ፡ ኣብ ውሻጠ ኣይተገብረን እሞ፡ ካብዚ ነገርዚ ገለ ኸም ዘይጠፍኦ፡ ተረዲኤዮ ኣሎኹ። 27ዎ ንጉስ ኣግሪጳ፡ ንነብያትሲ ትኣምኖም ዲኻ፧ ከም እትኣምን እፈልጥ እየ፡ በለ። 28ኣግሪጳ ኸኣ ንጳውሎስ፡ ክርስትያን ንምዃን ከተረድኣኒ ቕሩብ ተሪፉካ፡ በሎ። 29ጳውሎስ ከኣ፡ ኣነ እንተ ብቕሩብ እንተ ብብዙሕ፡ ብዘይ እዚ መቑሐይሲ ኸምዚ ኸማይ ክዀኑ፡ ሎሚ ንዝሰምዑኒ ዂላቶም እምበር፡ ንኣኻ ጥራይ ኣይኰንኩን ካብ ኣምላኽ ዝምነዮ ዘሎኹ፡ በለ። 30ሽዑ እቲ ንጉስን እቲ ራእስን በርኒቄን እቶም መቓምጦምን ተንስኡ። 31ካብኡ ምስ ኣግለሱ ድማ፡ እዚ ሰብኣይ እዚ ናብ ሞት ወይስ ናብ ማእሰርቲ ዘብጽሕ የብሉን፡ ኢሎም ንሓድሕዶም ተዛራረቡ። 32ኣግሪጳ ኸኣ ንፌስጦስ፡ እዚ ሰብኣይ እዚ፡ ናብ ቄሳር ይግባኝ፡ ኢሉ እንተ ዘይከውንሲ፡ ክፍታሕ ምተገብኦ ነይሩ፡ በሎ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ግ.ሃዋ. ምዕራፍ 27
1ናብ ኢጣልያ ብመርከብ ክንከይድ ምስ ተቘርጸ ኸኣ፡ ንጳውሎስን ንሓያሎ ኻልኦት እሱራትን ናብቲ ዩልዮስ ዝስሙ፡ ካብ ሰራዊት ቄሳር ዝዀነ ሓለቓ ሚእቲ፡ ኣሕለፍዎም። 2ንሃገር እስያ ብትኸይድ መርከብ ኣድራሚቲስ ጌርና ተበገስና፡ ኣርስጠርኮስ፡ ብዓል መቄዶንያ ኻብ ተሰሎንቄ፡ ምሳና ነበረ። 3ንጽብሒቱ ኣብ ሲዶና በጻሕና። ዩልዮስ ከኣ ንጳውሎስ ብጽቡቕ ገጽ ረኣዮ፡ ናብ ፈተውቱ ኽበጽሕ እሞ ካባታቶም ረዲኤት ክረክብውን ፈቐደሉ። 4ካብኣ ነቒልና ኸኣ፡ ንፋስ ብቕድሜና ስለ ዝዀነ፡ ብትሕቲ ቆጵሮስ ሓለፍና። 5ጸግዓ ጸግዒ ባሕሪ ቂልቅያን ጳምፊልያን ሓሊፍና፡ ናብ ሚራ ምድሪ ሉቅያ ኣቶና። 6እቲ ሓለቓ ሚእቲ ኸኣ ኣብኣ ናብ ኢጣልያ እትኸይድ መርከብ እስኪንድርያ ረኸበ እሞ ናብኣ ኣእተወና። 7ብዙሕ መዓልቲ ገፈፍ እናበልና ኸድና፡ ብጭንቂ ድማ ኣብ መንጽር ክኒዶስ በጻሕና። ናብኣ ኸይንቐርብ ንፋስ እንተ ኸልከለና ኸኣ፡ ብትሕቲ ቅሬጥስ ብመንጽር ሰልሞና ሓለፍና። 8ብተጋድሎ ብጎቦኣ ምስ ሓለፍና ኸኣ፡ ጽቡቕ ወደብ ናብ እትብሃል ስፍራ መጻእና፡ ካብኣ ንኸተማ ላስያ ቐረባ እዩ። 9-10በዚ ኸምዚ ብዙሕ ወርሓት ምስ ሓለፈ፡ ግዜ ጾም ድሮ ሓሊፉ ስለ ዝነበረ፡ ምኻድ መራኽብ ዘፍርህ ስለ ዝዀነ፡ ጳውሎስ፡ ኣቱም ሰብ፡ ንነፍስና ድማ እምበር፡ ንጽዕነትን ንመርከብን ጥራይ እኳ ዘይኰነስ፡ መገድና ብጭንቅን ብብዙሕ ጒድኣትን ከም ዝኸውን እርኢ ኣሎኹ፡ ኢሉ መዓዶም። 11እቲ ሓለቓ ሚእቲ ግና ካብቲ ጳውሎስ ዝብሎ ዘረባ ነቲ መራሕ መርከብን ነቲ ዋናኣን ኣዝዩ ይኣምን ነበረ። 12እቲ ወደብ ንምኽራም ዘይጥዕሞም ስለ ዝዀነ፡ እቶም ዝበዝሑ ኻብኡ ኽነቕሉ እሞ ዝከኣል እንተ ዀይኑስ፡ ናብ ፍንቄ፡ ንሱ ኸኣ ናብ ሊባን ናብ ባሕሪ ገጹ ዝርኢ ናይ ቅሬጥስ ወደብ ኣትዮም ክኸርሙ መኸሩ። 13ህዱእ ንፋስ ደቡብ ምስ ነፈሰ ኸኣ፡ ከም ሓሳቦም ዝዀነሎም መሲልዎምሲ፡ መልህቅ ኣልዒሎም ብጸግዒ ቅሬጥስ ሓለፉ። 14ሽዑ ኸኣ ብዙሕ ከይደንጐየ፡ ኤውሮክሊዶን ዝብሃል ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ካብታ ደሴት ተላዕለ። 15ነታ መርከብ መንዚዑ ምስ ወሰዳ ኸኣ፡ ንሳ ነቲ ንፋስ ክትቃወሞ ስለ ዘይከኣለት፡ ስዲ ትኺድ ሓደግናያ። 16ኣብ ጸግዒ ከላውዳ እትብሃል ደሴት ምስ በጻሕና ድማ፡ ብተጋድሎ ንጃልባ እታ መርከብ ከነድሕን ከኣልና። 17ስሒቦም ምስ ኣውጽእዋ፡ ብታሕቲ ብገመድ ኣሲሮም መጻንሒ ገበሩ። ኣብ ድበት ሑጻ ኸይወድቁ ፈሪሆም ድማ፡ ነቲ ጋንጽላ ጠቕሊሎም፡ ከምኡ ኢላ ትኺድ ሓደግዋ። 18ንጽብሒቱ ማዕበል እናበርትዓና እንተ ኸደ ኸኣ፡ ካብቲ ጽዕነት ናብ ባሕሪ ደርበዩ። 19ብሳልሰይቲ መዓልቲ ድማ ነቲ ኣቓሑ መርከብ በእዳዎም ደርበይዎ። 20ብዙሕ መዓልቲ ጸሓይ ኰነ ኸዋኽብቲ ዀነ ኸይርኤና፡ ማዕበል እናበርትዓና እንተ ኸደ፡ ኲሉ ተስፋ ምድሓን ነፍስና ፈጺምና ቐበጽና። 21ብዘይ ምግቢ ብዙሕ መዓልቲ ምስ ገበሩ ድማ፡ ጳውሎስ ኣብ ማእከሎም ደው ኢሉ በሎም፡ ኣቱም ሰብ፡ እቲ ኻብ ቅሬጥስ ከይነቐልኩም ሰሚዕኩምኒ እንተ ትዀኑስ ግዲ፡ እዚ ጸበባን ጒድኣትን እዚ ኣይምረኸበኩምን ነይሩ። 22ሕጂ ድማ፡ እዛ መርከብ ደኣ እምበር፡ ካባኻትኩምሲ ሓንቲ ነፍሲ እኳ ኣይትጠፍእን እያ እሞ፡ ክትሃድኡ እልምነኩም ኣሎኹ። 23-24በዛ ለይቲ እዚኣ እቲ መልኣኽ ናይቲ ኣነ ዝናቱን ዘገልግሎን ኣምላኸይ ኣብ ጥቓይ ደው ኢሉ፡ ጳውሎስ፡ ኣብ ቅድሚ ቄሳር ደው ክትብል ኢኻ። እንሆ፡ ነቶም ምሳኻ ዝሳገሩ ዂላቶምውን ኣምላኽ ሂቡካ ኣሎ፡ ኣይትፍራህ፡ በለኒ። 25ኣቱም ሰብ፡ ኣነ ኸኣ ከምቲ ንሱ ዝነገረኒ ኸም ዝኸውን ንኣምላኽ እኣምኖ እየ እሞ፡ ስለዚ ኣጆኹም። 26ግናኸ ናብ ሓንቲ ደሴት ክንግፋዕ ኢና። 27ኣብ መበል ዓሰርተው ኣርባዕተ ለይቲ ኣብ ባሕሪ ኣድርያ ኽንመላለስ ከሎና፡ እቶም ኣገልገልቲ መርከብ ኣብ ፍርቂ ለይቲ ናብ ምድሪ ዝቐረቡ መሰሎም። 28ሽዑ መለክዒ ገይሮም እንተ ኣቘሩ፡ ዕስራ ብቑመት ሰብ ረኸቡ። ካብኡ ቕሩብ ሕልፍ ኢሎም፡ ካልኣይ ከኣ መለክዒ ገይሮም ኣቘሩ እሞ ዓሰርተው ሓሙሽተ ብቑመት ሰብ ረኸቡ። 29ከውሒ ኣብ ዘሎዎ ኸይንወድቕ ፈሪሆም፡ ብሸነኽ ድሕሪት ነታ መርከብ ኣርባዕተ መልህቅ ኣውረዱ። መዓልቲ ክኸውን ከኣ ተመነዩ። 30እቶም ኣገልገልቲ መርከብ ድማ ካብታ መርከብ ክሃድሙ ደልዮምሲ፡ ብወገን ቅድሚታ መልህቅ ከም ዘውርዱ መሲሎም፡ ነታ ጃልባ ናብ ባሕሪ ኣውረድዋ። 31ጳውሎስ ከኣ ነቲ ሓለቓ ሚእትን ነቶም ዓቀይትን፡ እዚኣቶም ኣብ መርከብ እንተ ዘይጸንሑ፡ ንስኻትኩም ኣይትድሕኑን ኢኹም፡ በሎም። 32ሽዑ እቶም ዓቀይቲ ማእሰር እታ ጃልባ በቲኾም፡ ትውደቕ ሓደግዋ። 33ጳውሎስ ከኣ፡ እናተጸበኹም ገለ ኸይጠዓምኩም ጾምኩም ሎሚ መበል ዓሰርተው ኣርባዕተ መዓልትኹም እዩ እሞ፡ እንጌራ ብልዑ፡ ኢሉ ምድሪ ኽሳዕ ዝወግሕ ንዂላቶም ለመኖም፡ 34እምብኣርከ እዚ ንምድሓንኩም ስለ ዝዀነ፡ ካብ ሓደ ኻባኻትኩም ጸጒሪ ርእሲ እኳ ኣይክትጠፍእን እያ እሞ፡ ክትበልዑ እልምነኩም ኣሎኹ፡ በሎም። 35እዚ ምስ በለ፡ እንጌራ ኣልዒሉ ንኣምላኽ ኣመስገነ፡ ኣብ ቅድሚ ዂላቶም ድማ ቈሪሱ ኽበልዕ ጀመረ። 36ኲላቶም ከኣ ሃድኡ እንጌራውን በልዑ። 37ኣብታ መርከብ ዝነበርና ዂላትና ኸኣ ክልተ ሚእትን ሰብዓን ሹድሽተን ነፍሲ ኢና። 38በሊዖም ምስ ጸገቡ ኸኣ፡ ነቲ ስርናይ ናብ ባሕሪ ደርብዮም፡ ነታ መርከብ ኣቕለሉላ። 39ምስ ወግሐ ኸኣ፡ ነቲ ምድሪ ኣየለለይዎን። ኣማዕድዮም ግና፡ ገምገም ዘለዎ ልሳን ባሕሪ ረኣዩ እሞ፡ እንተ ተኻእሎምሲ፡ ነታ መርከብ ናብኡ ኸብጽሕዋ ደለዩ። 40ነቲ መልህቅ ፈቲሖም ከኣ፡ ናብ ባሕሪ ደርበይዎ። ድሕሪኡ ነቲ ማእሰር ስካን ፈትሕዎ፡ ነቲ ንእሽቶ ጋንጽላ ንንፋስ ገቲሮምውን፡ ናብቲ ገምገም ገጾም ከዱ። 41ኣብ ሓደ ልሳን ምድሪ ምስ በጽሑ ኸኣ፡ ነታ መርከብ ልዕል ኣበልዋ ብወገን ቅድሚታ ኸኣ ተሸኽለት እሞ ዘይትንቕነቕ ኰነት፡ ብወገን ድሕሪታ ግና ማዕበል በርቲዕዋ ተሰብረት። 42እቶም ዓቀይቲ ድማ ነቶም እሱራት፡ ሓደ እኳ ሓምቢሱ ምእንቲ ኸየምልጥ ኢሎም፡ ክቐትልዎም ተማኸሩ። 43እቲ ሓለቓ ሚእቲ ግና ንጳውሎስ ከድሕኖ ደልዩ ነቲ ምኽሮም ኣይሰመሮን። ነቶም ሓቢሶም ዝኽእሉ ድማ ቅድም ወሪዶም ናብ ምድሪ ኽወጹ ኣዘዘ፡ 44ነቶም ዝተረፉ ኸኣ፡ ገሊኦም ብሉሕ ገሊኦምውን ብስባር እታ መርከብ ይውጽኡ፡ በለ። በዚ ኸምዚ ዂላቶም ድሒኖም ናብ ምድሪ በጽሑ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ግ.ሃዋ. ምዕራፍ 28
1ምስ ደሓንና ኸኣ፡ እታ ደሴት መሊጠ ኸም እትብሃል ፈለጥና። 2እቶም ደቂ ዓዲ ድማ ኣዝዮም ደንገጹሎም፡ ዝናም ይዘንም ስለ ዝነበረን፡ ስለቲ ቑርን ድማ፡ ሓዊ ኣንዲዶም ንዂላትና ተቐበሉና። 3ጳውሎስ ግዳ ብዙሕ ቀሸም ኣኪቡ ናብ ሓዊ ኸእቱ ኸሎ፡ ተመን፡ ብምኽንያት እቲ ረስኒ ወጺኡ፡ ኣብ ኢዱ ነኺሱ ጠልጠል በለ። 4እቶም ደቂ ዓዲ ኸኣ እቲ ኣራዊት ኣብ ኢዱ ጠልጠል ኢሉ ምስ ረኣዩ፡ ንሓድሕዶም፡ እዚ ሰብኣይዚ ብርግጽ ቀታል ነፍሲ እዩ፡ ካብ ባሕሪ እኳ እንተ ደሓነስ፡ እቲ ሕነ ዝፈዲ ኣምላኽ ብህይወት ክነብር ኣይሓደጎን፡ ተባሃሃሉ። 5ንሱ ግና ነቲ ኣራዊት ናብ ሓዊ ጸግ ኣበሎ፡ ገለውን ኣይጐድኦን። 6ንሳቶም ከኣ፡ ክሓብጥ ወይስ ሕጂሕጂ ሞይቱ ኽወድቕ እዩ፡ ኢሎም ይጽበይዎ ነበሩ። ነዊሕ ምስ ተጸበዩ እሞ እኳ ኸም ዘይጐድኦ ምስ ረኣዩ ኸኣ፡ እዝስ ኣምላኽ እዩ፡ ኢሎም ቃሎም ለወጡ።
7ኣብ ጥቓ እታ ስፍራ እቲኣ ኸኣ ናይ ጱብልዮስ ዝብሃል ኣውራ እታ ደሴት ሓያሎ ግርሁ ነበራ። ንሱ ብፍቕሪ ተቐቢሉ ሰለስተ መዓልቲ ኣአንገደና። 8ኰነ ድማ፡ ኣቦ ጱብልዮስ ብዓሶን ብውጽኣት ከብድን ሓሚሙ ነበረ። ጳውሎስ ከኣ ናብኡ ኣትዩ ጸለየሉ፡ ኣእዳዉ ኣንቢሩውን ኣሕወዮ። 9እዚ ምስ ኰነ ድማ፡ እቶም ካልኦት ሕሙማት ደቂ እታ ደሴት ናብኡ መመጺኦም ተፈወሱ። 10ብብዙሕ ክብሪ ኸኣ ኣኽበሩና፡ ክንብገስ ከሎናውን፡ ዘድልየና ዘበለ ኣስነቑና።
11ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ኸኣ በታ ኣብታ ደሴት ከሪማ ዝነበረት፡ ዕላማ ድዮስቆሮስ ዘለዋ ናይ እስኪንድርያ መርከብ ጌርና ተበገስና። 12ኣብ ሲራኩላ ምስ በጻሕና ኸኣ፡ ኣብኣ ሰለስተ መዓልቲ ጸናሕና። 13ካብኣ ሓሊፍና ኸኣ፡ ናብ ረግዮም ኣቶና። ንጽብሒቱ ንፋስ ደቡብ እንተ ተላዕለ ድማ፡ ብኻልኣይቲ መዓልቲ ናብ ጱተዮሉስ ኣቶና። 14ኣብኣ ኣሕዋት ረኸብና፡ ምሳታቶም ሾብዓተ መዓልቲ ኽንቅኒውን ለመኑና። በዚ ኸምዚ ናብ ሮሜ ኣቶና። 15እቶም ኣሕዋት ወሬና ምስ ሰምዑ ኸኣ፡ ክሳዕ ኣጵዮስ ፎሩስን ክሳዕ ሰለስተ መሓድርን ክቕበሉና መጹ። ጳውሎስ ከኣ ምስ ረኣዮም፡ ንኣምላኽ ኣመስገነ ልቡውን ሃድአ።
16ኣብ ሮሜ ምስ ኣቶና ኸኣ፡ እቲ ሓለቓ ሚእቲ ነቶም እሱራት ንሓለቓ ሰራዊት ኣሕሊፉ ሃቦም፡ ጳውሎስ ግና ምስ ሓደ ዝሕልዎ ዓቀይታይ ንበይኑ ክቕመጥ ተፈቕደሉ።
17ኰነ ድማ፡ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ጳውሎስ ነቶም ኣውራታት ኣይሁድ ጸዊዑ ኣኸቦም። ምስ ተኣከቡ ኸኣ፡ በሎም፡ ኣቱም ኣሕዋተይ፡ ኣነ ምስ ህዝብና ወይስ ምስ ስርዓት ኣቦታት ዝብኣስ ነገር እኳ ዘይገበርኩስ፡ ካብ የሩሳሌም ብእሱረይ ናብ ኢድ ሮማውያን ኣሕለፉኒ። 18ንሳቶም መርሚሮም ናብ ሞት ዘብጽሕ ምኽንያት እንተ ሰኣኑለይ ከኣ፡ ክፈትሑኒ ደለዩ። 19ኣይሁድ ምስ ተረሩ ግና፡ ንህዝበይ ዝኸሰሉ ነገር ዘይብለይ ክነሰይሲ፡ ጨኒቑኒ፡ ናብ ቄሳር ይግባይ፡ በልኩ። 20እምብኣርሲ ብዛዕባ ተስፋ እስራኤል እየ በዚ መቑሕ እዚ ተኣሲረ ዘሎኹ እሞ፡ በዚ ምኽንያት እዚ እየ ኽርእየኩምን ክዛረበኩምን ዝጸዋዕኩኹም። 21ንሳቶም ከኣ፡ ንሕና ብዛዕባኻ ኻብ ሃገር ይሁዳ ደብዳበ ኣይተቐበልናን፡ ካብ ኣሕዋት መጺኡ ዘውረየልና ወይስ ብኣኻ ኽፉእ ነገር ዝነገረና የልቦን። 22ብዛዕባ እዛ ሻራ እዚኣ ግና ኣብ ኲሉ ቦታ ኸም ዝጻረሩ፡ ንፈልጥ ኢና እሞ፡ እቲ ንስኻ እትሓስቦ ዘሎኻ ኻባኻ ኽንሰምዖ ንደሊ ኣሎና፡ በልዎ።
23መዓልቲ ድማ ቈረጹሉ፡ ብዙሓት ኰይኖም ከኣ ናብታ ሰፊርዋ ዘሎ ቤት መጹ። ካብ ንግሆ ጀሚሩ ኽሳዕ ምሸት ድማ ካብ ሕጊ ሙሴን ነብያትን ብዛዕባ የሱስ እናኣረድአ ብናይ መንግስቲ ኣምላኽ ከኣ እናመስከረ ተርጐመሎም። 24ገሊኦም ነቲ እተነግረ ኣመንዎ፡ ገሊኦም ግና ኣበይዎ። 25ንሓድሕዶም ምልጋብ ስኢኖም፡ ተፋላለዩ፡ ጳውሎስ እዛ ሓንቲ ቓል እዚኣ ምስ ተዛረበ፡ መንፈስ ቅዱስ ብነብዪ ኢሳይያስ ነቦታትኩም ጽቡቕ ተዛረቦም፡ 26-27ከምዚ ኢሉ፡ ናብዚ ህዝቢ እዚ ኺድ እሞ ንገሮም፡ በእዛኖም ከይሰምዑ፡ በዒንቶም ከይርእዩ፡ ኣእዛኖም ኣጽመሙ፡ ኣዒንቶም ዓመቱ፡ ብልቦም ከየስተውዕሉ፡ ከይምለሱ፡ ኣነውን ከየሕውዮምሲ፡ ልቢ እዚ ህዝቢዚ ረጒድ እዩ እሞ፡ ምስማዕስ ትሰምዑ ከቶ ኣይተስተውዕሉን፡ ምርኣይውን ትርእዩ ከቶ ኣይትጥምቱን ኢኹም። 28እምብኣርስኸ እዚ ምድሓን ኣምላኽ ነህዛብ ከም እተላእከ፡ ኣባኻትኩም ፍሉጥ ይኹን፡ ንሳቶም ከኣ ክሰምዕዎ እዮም። 29እዚ ምስ ተዛረበ፡ ኣይሁድ ንሓድሕዶም ብዙሕ እናተኻራኸሩ ወጹ።
30ጳውሎስ ከኣ ኣብታ እተኻረያ ቤት ክልተ ዓመት ምሉእ ተቐመጠ፡ ነቶም ናብኡ ዝመጹ ዂሎምውን ይቕበሎም ነበረ። 31ከይተኸልከለ ኸኣ መንግስቲ ኣምላኽ ብብዙሕ ትብዓት እናሰበኸ፡ ብዛዕባ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ይምህር ነበረ።
መልእኽቲ ጳሎስ ናብ ሰብ ሮሜ
1 2 3 4 5 6 7 8
9 10 11 12 13
14 15 16
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ሮሜ ምዕራፍ 1
1ጳውሎስ ባርያ የሱስ ክርስቶስ፡ ሃዋርያ ክኸውን እተጸውዐ፡ ንወንጌል ኣምላኽ እተፈልየ፡ 2ኣቐዲሙ ብነብያቱ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዘተስፈዎ፡ 3ብዛዕባ ወዱ፡ብስጋ ኻብ ዘርኢ ዳዊት እተወልደ፡ 4ንሱ የሱስ ክርስቶስ፡ጐይታና፡ካብ ምዉታት ብምትንሳኡ፡ ብመንፈስ ቅድስና ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ብሓይሊ እተጋህደ፡ 5ስለ ስሙ ኣብ ኲሎም ኣህዛብ ምእዛዝ እምነት ክንተክል፡ ብእኡ ጸጋን ሃዋርያነትን እተቐበልና፡ 6ንስኻትኩም ከኣ ምሳታቶም ጽዉዓት የሱስ ክርስቶስ ኢኹም፡ 7ኣብ ሮሜ ንዘሎኹም ጽዉዓትን ቅዱሳንን ፍቁራት ኣምላኽ ኲላትኩም። ካብ ኣቦና ኣምላኽን ካብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ይሃሉኹም። 8 እምነትኩም ኣብ ኲላ ዓለም ስለ እተወርየት፡ ቅድሚ ዂሉ ብዛዕባ ዂላትኩም ንኣምላኸይ ብየሱስ ክርስቶስ ኣመስግኖ ኣሎኹ። 9-12ንምጽናዕኩም ገለ መንፈሳዊ ውህበት ክመቕለኩም፡ ክርእየኩም እናፍቕ ኣሎኹ፡ ማለት፡ በታ ኣብ ሓድሕድና ዘላ እምነት፡— ናትኩምን ናተይን፡ ኣባኹምን ምሳኹምን፡— ምእንቲ ኽንጸናናዕሲ፡ ብዘይ ምቁራጽ ከም ዝሓስበኩም፡ ብፍቓድ ኣምላኽ እንተ ሰለጠንስ፡ ብገለ መገዲ ኣብ መወዳእታ ናባኻትኩም ክመጽእ፡ ብጸሎተይ ኲሉ ሳዕ ከም ዝልምን፡ እቲ ብወንጌል ወዱ ብመንፈሰይ ዘገልግሎ ኣምላኽ ይምስክረለይ እዩ። 13ኣቱም ኣሕዋተይ፡ ከምቲ ኣብቶም ካልኦት ኣህዛብ፡ ኣባኻትኩምውን ፍረ ምእንቲ ኽረክብሲ፡ ናባኻትኩም ንምምጻእ፡ ምኽረይ ከም ዝቘረጽኩ፡—ክሳዕ ሕጂ ግና ከም እተኸልከልኩ፡— ክትፈልጡ እፈቱ ኣሎኹ። 14ንጽርኣውያንን ንኻልኦት ኣህዛብን ንለባማትን ንዓያሱን ዕዳ ኣሎኒ። 15ስለዚ ብናይ ርእሰይሲ ኣብ ሮሜ ንዘሎኹምውን ወንጌል ክሰብከልኩም ተዳልየ ኣሎኹ። 16ወንጌል ቅድም ንኣይሁዳዊ ኸምኡውን ንጽርኣዊ፡ ንዝኣምን ዘበለ ዂሉ ሓይሊ ኣምላኽ ንምድሓን እዩ እሞ፡ ብወንጌል ኣይሐፍርን እየ። 17ከምቲ ጽሑፍ፡ ጻድቕ ግና ብእምነት ይነብር፡ ዝብል፡ እቲ ጽድቂ ኣምላኽ ካብ እምነት ናብ እምነት ብእኡ ይገሃድ እዩ። 18ቁጥዓ ኣምላኽ ካብ ሰማይ ኣብ ረሲእነትን ዓመጻ ዘበለ ዂሉን ነቲ ሓቂ ብዓመጻ ኣብ ዝኸድንዎ ሰባት ይግለጽ እዩ። 19ኣምላኽ ገሊጹሎም እዩ እሞ፡ እቲ ብዛዕባ ኣምላኽ ዝፍለጥ ዘበለ ኣባታቶም ግሉጽ እዩ፡ 20ዘማኻንይዎ ምእንቲ ኽስእኑስ፡ እቲ ኻብ ፍጥረት ዓለም ጀሚሩ ብግብሩ ዝፍለጥ ዘይርአ ባህርዩ፡ እዚ ኸኣ እቲ ናይ ዘለኣለም ሓይሉን መለኮቱን ኣጸቢቑ ይርአ። 21ግናኸ ንኣምላኽ እናፈለጥዎስ፡ ከም ኣምላኽ ገይሮም ስለ ዘየኽበርዎን ዘየመስገንዎን ብሓሳቦም ከንቱ ዀኑ፡ እቲ ዘየስተውዕል ልቦምውን ጸልመተ። 22-23ለባማት ኢና እናበሉ ዓሸዉ እሞ፡ ንኽብሪ እቲ ዘይሓልፍ ኣምላኽ ናብ ምስሊ ሓላፊ ሰብን ኣዕዋፍን ኣርባዕተ መሓውር ዘለዎም እንስሳን ለመም ዝብልን ንዝመስል ለወጥዎ። 224-25ነቲ ሓቂ ኣምላኽ ናብ ሓሶት ስለ ዝለወጥዎ፡ ኣብ ክንዲ ፈጣሪ፡ — ንሱ ንዘለኣለም እተባረኸ እዩ፡ ኣሜን፡ — ንፍጡር ስለ ዘምለኹን ዘገልገሉን፡ ኣምላኽ ከኣ ስጋ ሓድሕዶም ከሕስሩ ብትምኒት ልቦም ንርኽሰት ኣሕሊፉ ሃቦም። 26ስለዚ ኣምላኽ ንዘነውር ፍትወት ኣሕሊፉ ሃቦም። ደቂ ኣንስትዮኦም ነቲ ናይ ባህርይ ተራኽቦአን ናብ ናይ ዘይባህርየን ለወጣኦ። 27እቶም ተባዕትዮውን ከምኡ ነቲ ናይ ባህርይ ምርኻብ ጓል ኣንስተይቲ ሐዲጎም፡ ኣብ ንሓድሕዶም ብትምኒቶም ረሰኑ፡ ሰብኡት ኣብ ሰብኡት ነውሪ ገበሩ፡ ግቡእ ዓስቢ ስሕተቶም ከኣ ኣብ ርእሶም ተቐበሉ። 28ከምቲ ኣምላኽ ኣብ ፍልጠቶም ክሕዝዎ ዘየቋጸርዎ፡ ኣምላኽ ከኣ ከምኡ ዘይንቡር ክገብሩ ንሕሱር ኣእምሮ ኣሕሊፉ ሃቦም። 29ዓመጻ ዘበለ፡ ሕሰም፡ ስሰዐ፡ ክፍኣት ዝመልኦም፡ ምሉኣት ቅንኣት፡ ቅትለት፡ ባእሲ፡ ተንኰል፡ እከይ፡ 30መሕሸዂሸዂቲ፡ ሓመይቲ፡ ኣብ ኣምላኽ ጽሉኣት፡ ገፋዕቲ፡ ኲሩዓት፡ ተጅሃርቲ፡ ተጣበብቲ እከይ፡ ንወለዶም ዘይእዘዙ፡ 31ደናቑርቲ፡ ጠለምቲ፡ ፍቕሪ ዘይብሎም፡ ዘይድንግጹ፡ 32እዚኣቶም፡ ነቶም ከምዚ ዝበለ ዝገብሩ ሞት ከም ዝግብኦም፡ ነቲ ቕኑዕ ፍርዲ ኣምላኽ እናፈለጥዎ ኽነሶምሲ፡ ምስቶም ዝገብርዎ ድማ ይሰምሩ ኣለዉ እምበር፡ ዝገብርዎ ጥራይ ኣይኰኑን።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ሮሜ ምዕራፍ 2
1ስለዚ፡ ኣታ እትፈርድ ሰብ፡ ዝዀንካ እንተ ዀንካ፡ ነቲ እትፈርዶስ ትገብሮ ስለ ዘሎኻ፡ በቲ ንኻልእ እትፈርዶ ንርእስኻ ትዂንን ኣሎኻ እሞ፡ ምኽንያት የብልካን። 2ንሕናስ ኣብቶም ከምዚ ዝበለ ዝገብሩ እቲ ፍርዲ ኣምላኽ ሓቂ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና። 3ኣታ ኣብቶም ከምዚ ዝበለ ዝገብሩ እትፈርድ ባዕልኻውን እትገብሮ ሰብ፡ ካብቲ ፍርዲ ኣምላኽ እትመልቑዶ ይመስለካ ኣሎ፧ 4ወይ ከኣ ሕያውነት ኣምላኽ ናብ ንስሓ ኸም ዝስሕበካ ሰኣን ምፍላጥካ ሃብቲ ሕያውነቱን ጸዋር ምዃኑን ዓቕሉንዶ ትንዕቕ ኣሎኻ፧ 5ግናኸ ብትርኻን ብዘይ ምንሳሕ ልብኻን ነቲ ብመዓልቲ ቑጥዓን ምግላጽ ቅኑዕ ፍርዲ ኣምላኽን ዝወርድ ቁጥዓ ኣብ ርእስኻ ትእክብ ኣሎኻ። 6ንሱ ንነፍሲ ወከፍ ከከም ግብሩ ክፈድዮ እዩ። 7ማለት፡ ነቶም ሰናይ እናገበሩ ተዓጊሶም ግርማን ክብርን ዘይምጥፋእን ዝደልዩ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክህቦም እዩ። 8ነቶም ንዓመጻ ዝእዘዙ እምበር፡ ንሓቂ ዘይእዘዙ መሻረውቲ ግና ቁጥዓን መዓትን ክወርዶም እዩ። 9እከይ ንትገብር ዘበለት ኲላ ነፍሲ ሰብ፡ ጭንቀትን ጸበባን ክወርዳ እዩ፡ ቅድም ንኣይሁዳዊ ኸምኡ ኸኣ ንጽርኣዊ። 10ሰናይ ንዝገብር ዘበለ ዂሉ ግና ግርማን ክብርን ሰላምን ክውሃቦ እዩ፡ ቅድም ንኣይሁዳዊ ኸምኡ ኸኣ ንጽርኣዊ። 11ኣብ ኣምላኽሲ ኣድልዎ ገጽ የልቦን። 12-13ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ እቶም ገበርቲ ሕጊ ደኣ እዮም ዝጸድቁ እምበር፡ ሰማዕቲ ሕግስ ጻድቃን ኣይኰኑን እሞ፡ እቶም ብዘይ ሕጊ ሓጢኣት ዝገበሩ ዘበሉ ብዘይ ሕጊ ኽጠፍኡ እዮም፡ እቶም ሕጊ ኸለዎም ሓጢኣት ዝገብሩ ዘበሉ ዂላቶም ከኣ በቲ ሕጊ ኽፍረዱ እዮም። — 14-15እቶም ሕጊ ዘይብሎም ኣህዛብ፡ ሕልናኦም እናመስከረሎም ሓሳቦምውን ንሓድሕዱ እናተኻሰሰ ወይስ እናተኻላኸለ፡ እቲ ግብሪ ሕጊ ኣብ ልቦም ጽሑፍ ምዃኑ የርእዩ ኣለዉ እሞ፡ ነቲ ኣብ ሕጊ ዘሎ ብባህርዮም ተደሪኾም ካብ ዝገብርዎስ፡ ንሳቶም ሕጊ እንተ ዘይብሎም እኳ፡ ንርእሶም ሕጊ እዮም።— 16በታ፡ ከም ወንጌለይ ገይሩ፡ ኣምላኽ ነቲ ምስጢራት ሰብ ብየሱስ ክርስቶስ ዝፈርደላ መዓልቲ ኸምኡ ክኸውን እዩ። 17ግናኸ ንስኻ፡ ኣይሁዳዊ እንተ ተብሃልካ፡ ብሕጊ እንተ ተኣመንካ ብኣምላኽውን እንተ ተሐበንካ፡ 18ፍቓዱ እንተ ፈለጥካ፡ ካብ ሕጊ ተምሂርካውን እቲ ቕኑዕ መርሚርካ እንተ ፈለኻ፡ 19መራሕ ዕዉራት፡ ኣብ ጸልማት ንዘለዉ ብርሃን ምዃንካውን ብርእስኻ እንተ ተኣመንካ፡ 20ንስኻ ንዓያሱ መለበሚ፡ ንቘልዑ መምህር፡ ኣብ ሕጊውን ምስሊ ፍልጠትን ሓቅን ዘሎካ ኢኻ። 21እምብኣርሲ ኣታ ንኻልእ እትምህር፡ ንርእስኻስ ኣይትምህራን ዲኻ፧ ኣታ፡ ኣይትስረቑ፡ ኢልካ እትሰብኽ። ባዕልኻዶ ትሰርቕ፧ 22ንስኻ፡ ኣይትዘምዉ፡ እትብል፡ ባዕልኻዶ ትዝሙ፧ ንስኻ ጣኦት እትፍንፍን፡ ባዕልኻዶ ቤተ መቕደስ ትሰርቕ፧ 23-24ከምቲ፡ ብሰርኹም ስም ኣምላኽ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ይጽረፍ እዩ፡ ዝብል ተጽሒፉ ዘሎ፡ ኣታ ብሕጊ እትምካሕ፡ ሕጊ ብምፍራስካዶ ንኣምላኽ ተሕስሮ ኣሎኻ፧ 25ግዝረትሲ፡ ሕጊ እንተ ሓሎኻ፡ ትጠቅም እያ እሞ፡ ሕጊ እንተ ኣፍረስካ ግና፡ እታ ግዝረትካ ዘይግዝረት እያ እትኸውን። 26 እምብኣርሲ እቲ ዘይግዙር ነቲ ሕጊ ዝደልዮ ስርዓት እንተ ሓለዎ፡ እቲ ዘይምግዛሩዶ ኸም ግዝረት ኰይኑ ኣይቁጸረሉን እዩ፧ 27 እቲ ኻብ ባህርዩ ዘይግዙር ክነሱ ሕጊ ዝሕሉ፡ ንኣኻ፡ ብፊደልን ብግዝረትን ሕጊ ንተፍርስ፡ ክፈርደካ እዩ። 28 ብዝርአ ኣይሁዳዊ ምዃን ኣይሁዳዊ ኣይኰነን እሞ፡ እታ ብዝርአ ኣብ ስጋ እትግበር ግዝረትውን ግዝረት ኣይኰነትን። 29 እቲ ብውሽጢ ኣይሁዳዊ ዝዀነ ግና፡ ንሱ ኣይሁዳዊ እዩ። እታ ግዝረት ከኣ ግዝረት ልቢ ብመንፈስ እያ እምበር፡ ብፊደል ኣይኰነትን። እቲ ንእዶኡውን ካብ ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ካብ ሰብ ኣይኰነን።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ሮሜ ምዕራፍ 3
1እምብኣርሲ ኣይሁዳዊ ደኣ እንታይ እዩ ረብሓኡ፧ ጥቕሚ ግዝረትሲ እንታይ እዩ፧ 2 ብዂሉ ወገን ብዙሕ እዩ። ቅድሚ ዂሉ፡ ቃል ኣምላኽ ንኣታቶም ሕድሪ ተውሂብዎም እዩ። 3ሓያሎ ኻባታቶም ዘይእሙናት እንተ ዀኑ ግዲ እንታይ እዩ፧ እቲ ዘይእሙናት ምዃኖምዶ ነቲ ናይ ኣምላኽ እምንነት ከንቱ ይገብሮ እዩ፧ 4ያእ ኣይፋሉን። ከምቲ፡ ብቓላትካ ኽትጸድቕ፡ ምስ ዝፍረደካውን ክትረትዕ ኢኻ፡ ዝብል ጽሑፍ ደኣ፡ ኣምላኽ ሓቀኛ ምዃኑ፡ ኲሉ ሰብ ግና ሓሳዊ ምዃኑ ይረኸብ። 5እቲ ዓመጻናስ ጽድቂ ኣምላኽ ዘርኢ ኻብ ኰነኸ፡ እንታይ ንበል፧ ኣምላኽ ቁጥዓኡ ምስ ዘውርድሲ፡ ዓማጺ ድዩ፧ — ከም ኣዛራርባ ሰብ እዛረብ ኣሎኹ። — 6ኣይፋሉን። ከመይ ኢሉ ደኣ ኣምላኽ ንዓለም ምፈረዳ፧ 7እቲ ሓቂ ኣምላኽ በቲ ሓሶተይ ንኽብሩ ኻብ ወሰኸ፡ ስለምንታይ ደኣ ኣነ ኸም ሓጥእ ኰይነ ዝፍረድ፧ 8ከመይ ደኣ ኸምቲ ዝጸርፉናን ገሊኦምውን፡ ጽቡቕ ምእንቲ ክመጽእሲ ኽፉእ ንግበር፡ ከም እንብል ዝብሉናን፡ ዘይንገብር፧ ደይኒ ነዚኣቶም ቅኑዕ እዩ። 9እንታይ ደኣ እዩ፧ ካባታቶም እንሕሸሉዶ ኣሎና፧ ሓንቲ እኳ፡ ኣይሁድ ኰነ ወይስ ጽርኣውያን፡ ኲላቶም ትሕቲ ሓጢኣት ምዃኖም ቅድም ከሲስና ኣሎና። 10ከምኡውን ተጽሒፉ ኣሎ፡ ሓደ እኳ ጻድቕ የልቦን፡ 11ሓደ እኳ ዘስተብህል የልቦን፡ ሓደ እኳ ንኣምላኽ ዝደልዮ የልቦን። 12ኲላቶም ዘምበሉ፡ ኲላቶም ሓቢሮም ዘይጠቕሙ ዀኑ፡ ጽቡቕ ዝገብር የልቦን፡ ሓደ እኳ የልቦን። 13ጐረሮኦም ክፉት መቓብር እዩ፡ ብልሳውንቶም ይጥብሩ፡ ኣብ ትሕቲ ኸናፍሮም ሕንዚ መንደልቶ ኣሎ። 14ኣፎም መርገምን ምርን ምሉእ እዩ። 15ኣእጋሮም ንምፍሳስ ደም ቅልጡፍ እዩ። 16ኣብ መገዶም ጥፍኣትን ጸበባን ኣሎ፡ 17ንመገዲ ሰላም ከኣ ኣይፈልጥዋን እዮም። 18ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶምውን ፍርሃት ኣምላኽ የልቦን። 19ግናኸ ዂሉ ኣፍ ምእንቲ ኽዕጾ፡ ኲላ ዓለምውን ትሕቲ ፍርዲ ኣምላኽ ክትከውንሲ፡ እቲ ሕጊ ዝብሎ ዘበለ ነቶም ኣብ ትሕቲ ሕጊ ዘለዉ ኸም ዝዛረቦም፡ ንፈልጥ ኢና። 20ሕግስ ሓጢኣት እዩ ዘፍልጥ እሞ፡ ስለዚ ስጋ ዝለበሰ ዂሉ ኣብ ቅድሚኡ ብግብሪ ሕጊ ዝጸድቕ የልቦን። 21ሕጂ ግና እቲ ብሕግን ነብያትን እተመስከረሉ ጽድቂ ኣምላኽ ብዘይሕጊ ተገልጸ። 22ማለት፡ ጽድቂ ኣምላኽ ብምእማን ብየሱስ ክርስቶስ ንዝኣምኑ ዂላቶም እዩ፡ በዚ ሌላን ጒሌላን የልቦን እሞ፡ 23ኲሎም ሓጢኦም ክብሪ ኣምላኽውን ስኢኖም። 24በቲ ብየሱስ ክርስቶስ ዝርከብ በጃ ምሕላፍ ብኸምኡ ብጸጋኡ ይጸድቁ። 25ንእኡ ኸኣ፡ ነቲ ቐደም ብትዕግስቲ ኣምላኽ እተገብረ ሓጢኣት ይሕለፍ ስለ ዝሓደጎ፡ ኣምላኽ ጽድቁ ምእንቲ ኸርኢ፡ ብእምነት ብደሙ መተዓረቒ ገይሩ ኣቘሞ። 26ንሱ ጻድቕ ክኸውን፡ ካብ እምነት የሱስ ንዝበለውን ከጽድቕ፡ ሕጂ ኣብዚ ዘመን እዚ ጽድቁ ኽገልጽ እዩ። 27ምሕባን ደኣ ኣበይ ኣሎ፧ ተሪፉ። በየናይ ሕጊ፡ ብሕጊ ግብሪዶ፡ ኣይኰነን ብሕጊ እምነት ደኣ እዩ። 28ስለዚ ኸኣ ሰብ ብዘይግብሪ ሕጊ ብእምነት ከም ዝጸድቕ፡ ንብል ኣሎና። 29-30ወይስ ኣምላኽ ናይ ኣይሁድ ኣምላኽ ጥራይ ድዩ፧ ኣምላኽ ኣህዛብሲ ኣይኰነንዶ፧ እቲ ንግዙር ካብ እምነት፡ ንዘይግዙርን ብእምነት ዘጽድቕ ኣምላኽ ሓደ ስለዝኾነ፡ እወ ናይ ኣህዛብውን እባ እዩ። 31እምበኣርሲ ንሕጊዶ ብእምነት ነፍርሶ ኣሎና፡ ያእ ኣይፋልናን፡ ንሕግስ እባ ነደልድሎ ደኣ ኣሎና።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ሮሜ ምዕራፍ 4
1 እምበኣርሲ ኣብርሃም ኣቦና፡ ብስጋ እንታይ ረኺቡ፡ ክንብል ኢና፡ 2ኣብርሃም ብግብሪ ጸዲቑ እንተ ዝኸውንሲ፡ ገለ ዝምክሓሉ ምረኸበ ነይሩ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ግና ኣይኰነን። 3እቲ ጽሑፍከ እንታይ ይብል፧ ኣብርሃም ብኣምላኽ ኣመነ እሞ እዚ ንጽድቂ ዀይኑ ተቘጽረሉ። 4ነቲ ዝገብር ግና ዓስቡ ኸም ዕዳ ዀይኑ እዩ እምበር፡ ከም ጸጋ ኣይኰነን ዝቑጸረሉ። 5ነቲ በቲ ንሓጥእ ዘጽድቕ ዝኣምን እምበር፡ ዘይገብር ግና፡ እታ እምነቱ ንጽድቂ ትቑጸረሉ እያ። 6ዳዊት ከኣ ነቲ፡ ኣምላኽ ብዘይግብርስ ጽድቂ ዝቘጽረሉ ሰብ ብጹእ እዩ ከም ዝበሎ፡ 7 እቶም ዓመጻኦም እተሓድገሎም ሓጢኣቶምውን እተኸድነሎም፡ ብጹኣን እዮም። 8ኣምላኽ ሓጢኣቱ ዘይቁጸረሉ ሰብ ብጹእ እዩ። 9እምበኣርከ፡ ንኣብርሃም እታ እምነቱ ጽድቂ ዀይና ተቘጽረትሉ፡ ንብል ኣሎና እሞ፡ እዛ ብጽእና እዚኣ ንግዙራት ጥራይ ድያ ወይስ ንዘይተገዝሩውን፡ 10ከመይ ኢላኸ እያ እተቘጽረትሉ፧ ብግዝረት ከሎ ድያ ወይስ ብዘይግዝረት፧ ብዘይግዝረት ከሎ እያ እምበር፡ ብግዝረት ከሎስ ኣይኰነትን። 11ነቶም ጽድቂ ምእንቲ ክቝጸረሎም ኢሎም ከይተገዝሩ ኸለዉ ዝኣምኑ ዂሎም፡ ኣቦኦም ምእንቲ ክኸውንሲ፡ ንማሕተም እታ ብዘይግዝረት ከሎ ዝረኸባ ጽድቂ እምነት ናይ ግዝረት መፈለጥታ ተቐበለ። 12ኣቦ ግዙራትውን ክኸውን፡ ማለት፡ ነታ ንኣብርሃም ኣቦና ብዘይግዝረት ከሎ ዝነበረቶ እምነት፡ ኣስኣሰራ ንዝኸዱ እምበር፡ ካብ ግዝረት ንዘበሉ ጥራይ ኣይኰነን። 13እታ ንኣብርሃም ወይስ ንዘርኡ፡ ወራስ ዓለም ምእንቲ ክኸውን፡ እተዋሃበቶ ተስፋ ብጽድቂ እምነት እያ እምበር፡ ብሕጊ ኣይኰነትን እሞ፡ 14እቶም ካብ ሕጊ ዝዀኑ እንተ ዝወርሱስ፡ እምነት ከንቱ ምዀነት፡ እታ ተስፋውን ምተጠልመት ነይራ። 15እቲ ሕግስ ቁጥዓ እዩ ዘምጽእ እሞ፡ ኣብቲ ሕጊ ዘይብሉ ግና፡ ኣብኡ ምፍራስውን የልቦን። 16ስለዚ ኻብ እምነት ኣብርሃም ንዝዀነ ዂሉ ዘርኢ ኸኣ እዩ እምበር፡ ካብ ሕጊ ንዝዀነ ጥራይ ኣይኰነን። እታ ተስፋ ኽትጸንዕ፡ ብጸጋ ምእንቲ ክኽውንሲ፡ ብእምነት እዩ ዝኸውን። ኣብርሃም ከኣ ኣቦ ዂላትና እዩ፡ — 17ከምቲ፡ ኣቦ ብዙሓት ኣህዛብ ገይረካ ኣሎኹ፡ ዝብል ጽሑፍ ዘሎ፡ — ኣብ ቅድሚ እቲ ዝኣመኖ፡ ንምዉታት ዘተንስኦም፡ ነቲ ዘየሎውን ከም ህልዊ ገይሩ ዝጽውዖ ኣምላኽ፡ 18ከምቲ ብሁል ድማ፡ ዘርእኻ ኸምዚ ክኸውን እዩ፡ ተስፋ ኣብ ዘይብሉስ፡ ኣቦ ብዙሓት ኣህዛብ ክኸውን ብተስፋ ኣመነ። 19ኣስታት ወዲ ሚእቲ ዓመት ክነሱ፡ ሙማት ስጋኡን ሙማት ማሕጸን ሳራን እናረኣየ፡ ንምእማን ኣይደኸመን፡ 20ግናኸ ንኣምላኽ ክብሪ እናሃበ ንምእማን በርትዐ እምበር፡ ነታ ተስፋ ኣምላኽ ብዘይምእማኑ ኣይተዋላወለን። 21ነታ ዝሃቦ ተስፋ ኽገብራውን ክእለት ከም ዘለዎ፡ ኣጸቢቑ ተረዲኡ ነበረ። 22ስለዚ ድማ ንጽድቂ ተቘጽረትሉ። 23-24እዚ ኸኣ ስሌናውን እምበር፡ ስሊኡ ጥራይ ከም እተቘጽረሉ ኣይተጻሕፈን። ንኣና፡ በቲ ንየሱስ ጐይታና ካብ ምዉታት ዘተንስኦ ንንኣምን ከኣ፡ ይቑጸረልና እዩ። 25ንሱ ብሰሪ ሓጢኣትና በጃ ተዋህበ፡ ስለ ጽድቅናውን ተንስኤ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ሮሜ ምዕራፍ 5
1እምብኣርሲ ብእምነት ካብ ጸደቕና፡ ምስ ኣምላኽ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ሰላም ይሃልወና። 2ብእኡ ኸኣ ናብዚ ዘሎናዮ ጸጋ ብእምነት ምእታው ዝረኸብና፡ ብተስፋ ኽብሪ ኣምላኽውን ንምካሕ ኣሎና። 3ግናኸ ብጸበባ ድማ ንመካሕ እምበር፡ እቲ ጸበባስ ትዕግስቲ ኸም ዘምጽእ ስለ ዝፈለጥና፡ በዚ ጥራይ ኣይኰነን። 4ትዕግስቲ ድማ ምፍታን፡ እቲ ምፍታንውን ተስፋ፡ 5በቲ እተዋህበና መንፈስ ቅዱስ ፍቕሪ ኣምላኽ ኣብ ልብና ስለ ዝፈሰሰ፡ እታ ተስፋ ድማ ኣይተሕፍርን እያ። 6ገና ድኹማት ከሎና፡ ክርስቶስ ብግዜኡ ምእንቲ ዓመጽቲ ሞተ። 7ኣብ ክንዲ ሓደ ጻድቕ ዝመውት እኳ ዝርከብ ኣይመስልን፡ — እንድዒ ኣብ ክንዲ እቲ ጽቡቕ ዝገበረሉ ኽመውት ዝደፍርሲ ምናልባሽ ኣይምተሳእነን ይኸውን፡ — 8ግናኸ ንሕና ገና ሓጥኣን ከሎና፡ ክርስቶስ ኣብ ክንዳና ሞይቱ እዩ እሞ፡ ኣምላኽ እታ ፍቕሩ ንኣና በዚ የርኢ ኣሎ። 9እምብኣርሲ ሕጂ ብደሙ ምስ ጸደቕና ደኣ፡ ክንደይ ካብቲ ቑጥዓ ብእኡ ኣዚና ዘይንድሕን። 10ጸላእቱ ኸሎና፡ ምስ ኣምላኽ ብሞት ወዱ ተዓረቕና፡ ካብ ተዓረቕና ደኣ፡ ክንደይ ብህይወቱ ኣዚና ዘይንድሕን። 11ግናኸ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ብእኡ ሕጂ ዕርቂ ዝረኸብና፡ ብኣምላኽውን ንምካሕ ኣሎና እምበር፡ እዚ ጥራይ ኣይኰነን። 12ስለዚ ኸኣ ከምቲ ብሰሪ ሓደ ሰብኣይ ሓጢኣት ናብ ዓለም ዝኣተወ፡ ብሓጢኣትውን ሞት፡ ኲላቶም ስለ ዝበደሉ ድማ፡ ሞት ናብ ኲሉ ሰብ ሐለፈ። — 13ሕጊ ኽሳዕ ዝመጽእ፡ ሓጢኣት ኣብ ዓለም ነበረ እሞ፡ ኣብቲ ሕጊ ዘይብሉ ግና ኣብኡ ሓጢኣት ኣይቁጸርን እዩ። 14ሞት ግና ካብ ኣዳም ጀሚሩ ኽሳዕ ሙሴ ኣብቶም ማዕረ እቲ ኣበሳ ኣዳም ሓጢኣት ዘይገበሩውን ሰልጠነ፡ ኣዳም ከኣ ምስሊ እቲ ዝመጽእ እዩ። 15ግናኸ እቲ ውህበት ጸጋ ኽንድቲ ኣበሳ ኣይኰነን። ብኣበሳ ሓደ ሰብኣይ ብዙሓት ሞይቶም እዮም እሞ፡ እቲ ጸጋ ኣምላኽን ውህበቱን ብጸጋ እቲ ሓደ ሰብኣይ፡ ማለት የሱስ ክርስቶስ፡ ናብቶም ብዙሓት እምብዛ ይዓዝዝ እዩ። 16እቲ ውህበት ከኣ ብመጠን እቲ ሓጢኣት ዝገበረ ሓደ ሰብኣይ ኣይኰነን። ፍርዲ ኻብ ሓደ ንዂነኔ መጸ፡ እቲ ውህበት ጸጋ ግና ካብ ብዙሕ ኣበሳ ንምጽዳቕ መጸ። 17ሞት ብኣበሳ እቲ ሓደ በቲ ሓደ ኻብ ገዝአ፡ እቶም ትርፊ ጸጋን ውህበት ጽድቅን እተቐበሉ ኸኣ በቲ ሓደ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ህይወት ኣዝዩ ብዙሕ ክገዝኡ እዮም። — 18-19እምብኣርሲ እቶም ብዙሓት በቲ ዘይምእዛዝ ሓደ ሰብኣይ ሓጥኣን ከም ዝዀኑ፡ ከምኡ ኸኣ ብምእዛዝ እቲ ሓደ እቶም ብዙሓት ጻድቃን ክዀኑ እዮም እሞ፡ ከምቲ ብሓንቲ ኣበሳ ናብ ኲሉ ሰብ ኲነኔ ዝመጸ፡ ከምኡ ድማ ብሓንቲ ግብሪ ጽድቂ እቲ ምጽዳቕ ንህይወት ናብ ኲሉ ሰብ መጸ። 20ኣበሳ ምእንቲ ኽዓዝዝሲ፡ ሕጊ ኣተወ፡ ኣብቲ ሓጢኣት ዝዓዘዞ ግና፡ ኣብኡ እቲ ጸጋ ኣዝዩ ዓዘዘ። 21ከምቲ ሓጢኣት ብሞት ዝገዝአ፡ ጸጋውን ከምኡ ብየሱስ ክርስቶስ ጐይታና ብጽድቂ ንዘለኣለም ህይወት ክገዝእ እዩ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ሮሜ ምዕራፍ 6
1እምብኣርሲ እንታይ ክንብል ኢና፧ ጸጋ ምእንቲ ኽዓዝዝሲ፡ ኣብ ሓጢኣትዶ ንጽናዕ፡ 2ያእ ኣይፋልናን። ንሕና ኻብ ሓጢኣት ዝሞትና፡ ከመይ ኢልና ሕጂ ኣብኡ ኽንነብር፧ 3ወይስ ብክርስቶስ የሱስ እተጠመቕና ዘበልና ዂላትና ብሞቱ ኸም እተጠመቕናዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ 4እምብኣርሲ ኸምቲ ክርስቶስ ብኽብሪ ኣቦኡ ኻብ ምዉታት ዝተንስአ፡ ከምኡ ኸኣ ንሕና ብሓዳስ ህይወት ምእንቲ ኽንመላለስ፡ ናብ ሞት ብጥምቀት ምስኡ ተቐበርና። 5ሞትና ንሞቱ መሲሉ ሕቡራቱ እንተ ዀንናስ፡ ከምኡ ኸኣ ብትንሳኤኡ ኽንሐብሮ ኢና። 6-7እቲ ዝሞተ ኻብ ሓጢኣት ሓራ ወጺኡ እዩ እሞ፡ እዚ ደጊም ንሓጢኣት ከይግዛእ፡ እቲ ናይ ሓጢኣት ስጋ ምእንቲ ኽጠፍእ፡ እቲ ኣረጊት ሰብና ምስኡ ኸም እተሰቕለ፡ ፈሊጥና ኣሎና። 8-9እቲ ኻብ ምዉታት ዝተንስአ ክርስቶስ መሊሱ ኸም ዘይመውት፡ ሞትውን ኣብኡ ኸም ዘይመልኽ ፈሊጥና፡ ንሕና ምስ ክርስቶስ ካብ ሞትናስ፡ ምስኡ ድማ ብህይወት ከም እንነብር፡ ንኣምን ኣሎና። 10ማለት፡ ሞቱ ሓንሳእ ንዂሉ ግዜ ኻብ ሓጢኣት እዩ ዝሞተ፡ ህይወቱ ግና ንኣምላኽ እዩ ዝነብር። 11ከምኡ ድማ ንስኻትኩም ካብ ሓጢኣት ከም ዝሞትኩም፡ ብክርስቶስ የሱስ ግና ንኣምላኽ ህያዋን ከም ዝዀንኩም፡ ርእስኹም ቁጸሩ። 12እምብኣርሲ ንትምኒቱ ኸይትእዘዙ፡ ኣብዚ መዋቲ ስጋኹም ሓጢኣት ኣይንገስ። 13-14ትሕቲ ጸጋ እምበር፡ ትሕቲ ሕጊ ስለ ዘይኰንኩም፡ ሓጢኣት ኣይመልከኩምን እዩ እሞ፡ ከም ሞይቶም ዝተንስኡ ርእስኹም ንኣምላኽ ወፍዩ እምበር፡ ንኣካላትኩም ኣጽዋር ዓመጻ ንሓጢኣት ኣይትግበርዎ፡ ንኣካላትኩምሲ ኣጽዋር ጽድቂ ንኣምላኽ ደኣ ግበርዎ። 15እንታይከ ንበል፧ ትሕቲ ጸጋ እምበር፡ ትሕቲ ሕጊ ኻብ ዘይኰንናስ፡ ሓጢኣትዶ ንግበር፧ ያእ ኣይፋልናን። 16ንምእዛዙ ባሮት ክትኰኑ ርእስኹም ንትህብዎ፡ ንሓጢኣት እንተ ዀይኑ ንሞት፡ ንምእዛዝ እንተ ዀይኑ ንጽድቂ፡ ነቲ እትእዘዝዎስ ባሮቱ ኸም ዝዀንኩምዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ 17-18ቀደም ባሮት ሓጢኣት ኔርኩምሲ፡ ካብ ሓጢኣት ሓራ ምስ ወጻእኩም፡ ንጽድቂ ተገዛእኩም፡ ነቲ እተወሃብኩምዎ ምሳሌ ምህሮ ኻብ ልቢ ስለ እተኣዘዝኩም ግና፡ ንኣምላኽ ስብሓት ይዅኖ። 19ስለ ድኻም ስጋኹም በዛራርባ ሰብ እዛረብ ኣሎኹ፡ ከምቲ ንርኽሰትን ግፍዕን ናብ ምፍራስ ሕጊ ኣካላትኩም ንባርነት ዝወፈኹም፡ ከምኡ ድማ ሕጂ ንጽድቂ ናብ ቅድስና ኽግዛእ፡ ኣካላትኩም ወፍዩ። 20ባሮት ሓጢኣት ከሎኹምሲ፡ ካብ ጽድቂ ውጹኣት ሓራ ኢኹም ዝነበርኩም። 21መወዳእታኡ ሞት ስለ ዝዀነ፡ በዚ ሎሚ እትሐፍሩሉ ዘሎኹም እንተ ዘይኰይኑስ፡ በቲ ግዜ እቲ እንታይ ፍሪኡ ነይሩኩም፧ 22-23ዓስቢ ሓጢኣትሲ ሞት እዩ፡ ውህበት ጸጋ ኣምላኽ ግና ብክርስቶስ የሱስ ጐይታና ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ። ሕጂ ግና ካብ ሓጢኣት ሓራ ስለ ዝወጻእኩም፡ ንኣምላኽውን ስለ እተገዛእኩምዎ፡ ፍሬኹም ንቕድስና ዀይኑ ኣሎ፡ መወዳእታ ኸኣ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ሮሜ ምዕራፍ 7
1ወይስ ኣሕዋተየ፡ — ነቶም ሕጊ ዝፈልጡ እየ ዝዛረብ ዘሎኹ እሞ፡ — ሰብ ብህይወቱ ኽሳዕ ዘሎ ምሉእ ዕድሜኡ ሕጊ ኸም ዝመልኮዶ፡ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ 2ሰበይቲ፡ ሰብኣያ ብህይወቱ ኽሳዕ ዘሎ፡ ብሕጊ ኣብኡ እስርቲ እያ። ሰብኣያ እንተ ሞተ ግና፡ ካብቲ ሕጊ ሰብኣያ ፍትሕቲ እያ። 3እምብኣርሲ ሰብኣያ ብህይወቱ ኸሎስ፡ ንኻልእ ሰብኣይ እንተ ዀነት፡ ዘማዊት እያ እትብሃል። ሰብኣያ እንተ ሞተ ግና፡ ካብቲ ሕጊ ሓራ ወጺኣ እያ እሞ፡ ንኻልእ ሰብኣይ እንተ ዀነት፡ ኣይዘማዊትን እያ። 4ኣሕዋተየ፡ ከምኡ፡ ድማ ንስኻትኩም፡ ንኣምላኽ ፍረ ምእንቲ ኽንፈሪ፡ ንኻልእ፡ ነቲ ኻብ ምዉታት ዝተንስኤ ኽትኰኑ፡ ብስጋ ክርስቶስ ካብቲ ሕጊ ሞትኩም። 5ኣብ ንብረት ስጋ ኸሎና፡ ንሞት ዝኸውን ፍረ ኽፈሪ ብሕጊ ተናቓኒቑ፡ ኣብ ኣካላትና ትምኒት ሓጢኣት ይዓዪ ነበረ። 6ሕጂ ግና ብኣረጊት ንብረት ፊደል ዘይኰነስ፡ ብሓዳስ ንብረት መንፈስ ክንግዛእ፡ ካብቲ ሒዙና ዝነበረ ሕጊ ሞይትና ኻብኡ ተፈታሕና። 7እንታይ ደኣ ኽንብል ኢና፧ እቲ ሕጊዶ ሓጢኣት እዩ፧ ያእ ኣይፋሉን። ብዘይ ሕጊ ግና ንሓጢኣት ኣይምፈለጥክዎን ነይረ። እቲ ሕጊ፡ ኣይትመነ፡ እንተ ዘይብልሲ፡ ንትምኒት ኣይምፈለጥክዎን ነይረ። 8ሓጢኣት ብዘይ ሕጊ ምዉት እዩ እሞ፡ እቲ ሓጢኣት ብትእዛዝ ምኽንያት ወሲዱ፡ ትምኒት ዘበለ ኣለዓዐለለይ። 9ቀደም ብዘይ ሕጊ ኣነ ህያው ነበርኩ። ትእዛዝ ምስ መጸ ግና፡ ሓጢኣት ህያው ኰነ፡ ኣነ ኸኣ ሞትኩ። 10-11ሓጢኣት ምኽንያት ረኺቡ ብትእዛዝ ኣስሓተኒ ብእኡውን ቀተለኒ እሞ፡ እቲ ንህይወት እተዋህበ ትእዛዝ ንኣይ ንሞት ኰይኑኒ ረኸብክዎ። 12እምብኣርሲ እቲ ሕጊ ቅዱስ እዩ፡ እቲ ትእዛዝውን ቅዱስን ጻድቕን ሰናይን እዩ። 13እቲ ሰናይዶ ደኣ እዩ ንኣይ ሞት ዝዀነኒ፡ ያእ ኣይፋሉን። ሓጢኣት ደኣ እዩ ሞት ዝዀነኒ እምበር፡ ሓጢኣት በቲ ሰናይ ገይሩ ሞት ካብ ዘምጽእ፡ ሓጢኣት ምዃኑ ምእንቲ ኽግለጽሲ፡ ሓጢኣት ብትእዛዝ ገይሩ ኣዝዩ ሓጢኣት ክኸውን እዩ። 14-15ነቲ ዝጸልኦ እገብሮ ኣሎኹ እምበር፡ ነቲ ዝደልዮ ኣይኰንኩን ዝገብሮ ዘሎኹ እሞ፡ ነቲ ዝገብሮ ኣይፈልጦን እየ። ሕጊ መንፈሳዊ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና፡ ኣነ ግና ትሕቲ ሓጢኣት እተሸጥኩ ስጋዊ እየ። 16ነቲ ኣነ ዝደልዮ ኻብ ዘይገብሮ ግና፡ እቲ ሕጊ ሰናይ ምዃኑ እሰምር ኣሎኹ። 17ስለዚ እቲ ኣባይ ሐዲሩ ዘሎ ሓጢኣት እዩ እምበር፡ ኣነ ኣይኰንኩን ዝገብሮ ዘሎኹ። 18-19ፍቓድሲ ኣሎኒ፡ ምግባር እቲ ሰናይ ግና ስኢነዮ ኣሎኹ እሞ፡ ነቲ ዘይደልዮ እከይ እገብሮ ኣሎኹ እምበር፡ ነቲ ዝደልዮ ሰናይ ኣይኰንኩን ዝገብር ዘሎኹ፡ ስለዚ ኣባይ ማለት ኣብ ስጋይ፡ ሰናይ ከም ዘየልቦ፡ እፈልጥ ኣሎኹ። 20ነቲ ኣነ ዝደልዮ ኻብ ዘይገብሮ ግና፡ ድሕሪ ሕጅስ እቲ ኣባይ ሐዲሩ ዘሎ ሓጢኣት እዩ እምበር፡ ኣነ ኣይኰንኩን ዝገብሮ ዘሎኹ። 21እምብኣርሲ ኣነ ሰናይ ክገብር ዝደሊ እቲ እከይ ከም ዝጠብቀኒ፡ ሕጊ ዀይኑ ረኸብክዎ። 22ብናይ ውሽጢ ሰብሲ በቲ ሕጊ ኣምላኽ ባህ ይብለኒ እዩ። 23ግናኸ ኣብ ኣካላተይ ምስ ሕጊ መንፈሰይ ዝዋጋእ፡ ናብቲ ኣብ ኣካላተይ ዘሎ ሕጊ ሓጢኣት ኣቢሉውን ዝማርኸኒ ኻልእ ሕጊ እርኢ ኣሎኹ። 24ይዋእ ኣነ ምግዱር ሰብ፡ ካብዚ ናይ ሞት ስጋስ መን ኰን ከድሕነኒ እዩ፧ 25ንኣምላኽ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ስብሓት ይኹኖ። እምብኣርሲ ኣነ ባዕለይ ብሓሳበይ ንሕጊ ኣምላኽ፡ ብስጋይ ግና ንሕጊ ሓጢኣት እግዛእ ኣሎኹ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ሮሜ ምዕራፍ 8
1እምብኣርሲ ሕጂ ነቶም ብክርስቶስ የሱስ ዘለዉ ዂነኔ የብሎምን። 2እቲ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ዘሎ ሕጊ መንፈስ ህይወት ካብቲ ሕጊ ሓጢኣትን ሞትን ሓራ ኣውጺኡኒ እዩ እሞ፡ 3ንሕጊ፡ ብስጋ ስለ ዝደኸመ፡ ክገብሮ ዘይኰነሉስ፡ ኣምላኽ ንወዱ ብምስሊ ሓጢኣተኛ ስጋን ከም መስዋእቲ ሓጢኣትን ልኢኹ፡ ነቲ ሓጢኣት ብስጋ ዀነኖ። 4ኣባና ብመንፈስ እምበር፡ ብስጋ ኣብ ዘይንመላለስ፡ እቲ ድሌት ሕጊ ኸምኡ ዀይኑ ኽምላእ እዩ። 5ስጋውያን ዘበሉ ነቲ ናይ ስጋ እዮም ዝሐስቡ፡ መንፈሳውያን ግና ነቲ ናይ መንፈስ እዮም ዝሓስቡ። 6-7እቲ ሓሳብ ስጋ ምስ ኣምላኽ ጽልኢ ብምዃኑ ነቲ ሕጊ ኣምላኽ ኣይግዝኦን ኣይኰነሉን ድማ እዩ እሞ፡ ስለዚ እቲ ሓሳብ ስጋ ሞት እዩ፡ እቲ ሓሳብ መንፈስ ግና ህይወትን ሰላምን እዩ። 8እቶም ብስጋ ዘለዉ ንኣምላኽ ከስምርዎ ኣይኰነሎምን እዩ። 9ንስኻትኩም ግና፡ መንፈስ ኣምላኽ ሐዲሩኩም እንተ ኣልዩስ፡ ብመንፈስ እምበር፡ ብስጋ ኣይኰንኩምን ዘሎኹም። እቲ መንፈስ ክርስቶስ ዘይብሉ ሰብ ግና፡ ንሱ ናቱ ኣይኰነን። 10ክርስቶስ ኣባኻትኩም እንተ ኣልዩ ግና፡ እቲ ስጋ ብሰሪ ሓጢኣት ምዉት እዩ፡ እቲ መንፈስ ግና ሳላ ጽድቂ ህይወት እዩ። 11ናይ እቲ የሱስ ካብ ምዉታት ዘተንስኦ መንፈስ ኣባኻትኩም ሐዲሩ እንተ ኣልዩ ግና፡ እቲ ንክርስቶስ የሱስ ካብ ምዉታት ዘተንስኦ፡ ንሱ ነቲ መዋቲ ስጋኹምውን፡ በቲ ኣባኻትኩም ሐዲሩ ዘሎ መንፈሱ ገይሩ፡ ህያው ክገብሮ እዩ። 12-13እምብኣርሲ ኣሕዋተየ፡ ከም ስጋ እንተ ነበርኩም፡ ክትሞቱ ኢኹም፡ ነቲ ግብሪ ስጋ ብመንፈስ እንተ ቐተልኩምዎ ግና፡ ብህይወት ክትነብሩ ኢኹም እሞ፡ ከም ስጋ ኽንነብር፡ ነቲ ስጋስ ሰብ ዕዳኡ ኣይኰንናን። 14-15ንስኻትኩምሲ ነቲ ብእኡ ጌርና ኣባ፡ ኣቦ፡ ኢልና እንጽውዓሉ መንፈስ ውልድነት ኢኹም እተቐበልኹም እምበር፡ መንፈስ ባርነት ከም ብሓድሽ ንፍርሃት ኣይተቐበልኩምን፡ ስለዚ እቶም ብመንፈስ ኣምላኽ ዝምርሑ ዘበሉ፡ ንሳቶም ውሉድ ኣምላኽ እዮም። 16ውሉድ ኣምላኽ ምዃንና ኸኣ እቲ መንፈስ ባዕሉ እዩ ምስ መንፈስና ዀይኑ ዝምስክር። 17ውሉድ ካብ ኰንናኸ፡ ወረስቲ ድማ ኢና፡ ንኣምላኽ ወረስቱ፡ ንክርስቶስ መዋርስቱ ኢና። ምስኡ ሓሳረ መከራ እንተ ጸገብናስ፡ ምስኡውን ክንከብር ኢና። 18-19ሃረርታ ፍጥረት ነቲ ምግላጽ ደቂ ኣምላኽ ይጽበዮ ኣሎ እሞ፡ ከምኡ ኸኣ ኣነ ንስቓይ እዚ ዘመንዚ ነቲ ኣባና ኺግለጽ ዝመጽእ ዘሎ ኽብሪ ኸም ዘይመዓራረዮ፡ እኣምን ኣሎኹ። 20እቲ ፍጥረት ንኸንቱ ተገዚኡ ኣሎ፡ ስለቲ ብተስፋ ዘግዝኦ እዩ እምበር፡ ብፍቓዱስ ኣይኰነን እሞ፡ 21እቲ ፍጥረት ንርእሱ ድማ ካብ ባርነት ጥፍኣት ናብ ሓርነት ክብሪ ደቂ ኣምላኽ ሓራ ኽወጽእ እዩ። 22ብዘሎ እቲ ፍጥረት ክሳዕ ሕጂ ምሳና ዀይኑ ኸም ዘስቈርቁርን ቅልውላው ከም ዝሓዞን፡ ንፈልጥ ኣሎና እሞ፡ 23ንሱ ጥራይ ከኣ ኣይኰነን፡ ንሕና ብዂርነት መንፈስ ዘሎናውን፡ መሰል ውልድነትና፡ ማለት ምድሓን ስጋና፡ እናተጸበና ብውሽጥና ነስቈርቁር ኣሎና። 24ነቲ ዝርእዮስ ተስፋ ዝገብሮኸ መን ኣሎ፧ ብተስፋ ኢና ድሒንና ዘሎና እሞ፡ ነቲ ዝርአስ ተስፋ ምግባሩ፡ እዚ ተስፋ ኣይኰነን። 25ነቲ ዘይንርእዮስ ተስፋ እንተ ገበርናዮ ግና፡ ብትዕግስቲ ንጽበዮ ኢና። 26መንፈስ ድማ ከምኡ ንድኻምና ይድግፎ እዩ። ከመይ ጌርና ኽንጽሊ ኸም ዝግብኣና፡ ኣይንፈልጥን ኢና፡ ስለዚ እቲ መንፈስ ባዕሉ እዩ ብዘይንገር እህህታ ዝልምነልና። 27እቲ ልቢ ዝምርምር፡ ንሱ ምእንቲ እቶም ቅዱሳን ከም ፍቓድ ኣምላኽ ገይሩ ይልምን እዩ እሞ፡ ነቲ ሓሳብ መንፈስውን እንታይ ምዃኑ ይፈልጦ እዩ። 28ነቶም ንኣምላኽ ዘፍቅሩ፡ ከም ምኽሩውን እተጸውዑ ግና ኵሉ ንሰናዮም ከም ዝድግፎም፡ ንፈልጥ ኢና። 29ነቶም ቀደም ዝፈለጦም፡ ንሱ ንብዙሓት ኣሕዋትሲ በዂሮም ምእንቲ ክኸውን፡ ንምስሊ ወዱ ኽመስሉ ቐደም መደቦም። 30ነቶም ቀደም ዝመደቦም፡ ንኣታቶም ከኣ ጸውዖም። ነቶም ዝጸውዖም፡ ንኣታቶም ድማ ኣጽደቖም። ነቶም ዘጽደቖም፡ ንኣታቶምውን ኣኽበሮም። 31እምብኣርሲ ብዛዕባ እዚ ነገርዚ እንታይ ክንብል ኢና፧ ኣምላኽ ምሳና ኻብ ኮነኸ፡ መን እዩ ዝቃወመና፧ 32እቲ ንወዱ እኳ ምእንቲ ዂላትና ኣሕሊፉ ዝሃቦ እምበር፡ ዘይነሓፎ፡ ከመይ ደኣኸ ምስኡ ዂሉ ዘይህበና፧ 33ነቶም ሕሩያት ኣምላኽሲ ዝኸሶም መን እዩ፧ ኣምላኽ እዩ እቲ ዘጽድቕ። 34እቲ ዝዅንንከ መን እዩ፧ ክርስቶስ የሱስ፡ እቲ ዝሞተ፡ አረ ኻብ ምዉታት እኳ ዝተንስአ፡ ኣብ የማን ኣምላኽ ኰይኑውን ምእንታና ዝልምን ዘሎ እዩ። 35-36ካብታ ፍቕሪ ክርስቶስ ዝፈልየና መን እዩ፧ ከመዮ፡ ምእንታኻ ምሉእ መዓልቲ ንቕተል ኣሎና፡ ከም ኣባጊዕ ማሕረዲውን ተቘጸርና፡ ዝብል ጽሑፍ ዘሎ፡ ጭንቀትዶ፡ ጸበባዶ፡ ስደትዶ፡ ጥምየትዶ፡ ዕርቃንዶ፡ ፍርሂዶ ወይስ ሰይፊ፧ 37-39ሞት ኰነ ወይ ህይወት፡ መላእኽቲ ዀኑ ወይ ገዛእቲ፡ ዘሎ ዀነ ወይ ዝመጽእ፡ ወይ ሓይልታት፡ ልዕል ዝበለ ዀነ ወይ ትሕት ዝበለ፡ ካልእ ፍጥረትውን እንተ ዀነ፡ ካብታ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ጐይታና ዘላ ፍቕሪ ኣምላኽ ከቶ ኽፈልየና ኸም ዘይኰነሉ፡ ኣርጊጸ ኣሎኹ እሞ፡ በዚ ዂሉ በቲ ዘፍቀረና ኣጸቢቕና ንስዕር ኢና።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ሮሜ ምዕራፍ 9
1-2ኣነ ብዙሕ ጓህን ዘየባትኽ ስቓይን ኣብ ልበይ ከም ዘሎኒ፡ ሕሊናይ ብመንፈስ ቅዱስ ይምስክረለይ ኣሎ፡ ብክርስቶስ ሓቂ እብል ኣሎኹ፡ ኣይሕሱን እየ። 3ኣነ ብርእሰይ ምእንቲ እቶም ብስጋ ኣሕዋተይን ኣዝማደይን ውጉዝ ኰይነ ኻብ ክርስቶስ ክፍለ ምደለኹ። 4ደቂ እስራኤል እዮም እሞ፡ ውልድነትን ክብርን ኪዳንን ምሕጋግ ሕግን ምግልጋል ኣምላኽን ተስፋን ናታቶም እዩ። 5ኣቦታት ከኣ ናታቶም እዮም፡ ክርስቶስውን ብስጋ ኻባታቶም እዩ፡ ንሱ ንዘለኣለም ብሩኽ ኣምላኽ፡ ልዕሊ ዂሉ እዩ። ኣሜን። 6ግናኸ እቶም ካብ እስራኤል ዘበሉ ዂላቶም እስራኤላውያን ኣይኰኑን እሞ፡ እቲ ቓል ኣምላኽ ከንቱ ዀይኑ ኣይተረፈን። 7ዘርኢ ብይስሃቅ ክስመየልካ እዩ እምበር፡ ዘርኢ ኣብርሃም ስለ ዝዀኑ፡ ኲላቶም ውሉድ ኣይኰኑን። 8ማለት፡ እቶም ውሉድ ተስፋ እዮም ንዘርኢ ዝቑጸሩ እምበር፡ እቶም ውሉድ ስጋስ ውሉድ ኣምላኽ ኣይኰኑን። 9እቲ ቓል ተስፋ፡ ንዓመታ ኸምዛ ግዜ እዚኣ ኽመጽእ እየ፡ ሳራውን ወዲ ኽትወልድ እያ፡ ኢሉ እዩ እሞ፡ 10እዚ ጥራይ ኣይኰነን፡ ርብቃውን ካብ ሓደ፡ ማለት ካብ ኣቦና ይስሃቅ፡ ምስ ጠነሰት፡ ከምኡ ዀነ። 11-13ካብቲ ጸዋዒ እዩ እምበር፡ ካብ ግብሪ ኣይኰነን እሞ፡ እቲ ምኽሪ ኣምላኽ ብምሕራይ ምእንቲ ኽጸንዕሲ፡ ከምቲ፡ ንያእቆብ ኣፍቀርኩ፡ ንኤሳው ግና ጸላእኩ፡ ዝብል ጽሑፍ ዘሎ፡ እቶም ደቂ ገና ኸይተወልዱ ኸለዉ፡ ጽቡቕ ኰነ ወይ ክፉእ ከይገበሩ፡ እቲ ዓብዪ ነቲ ንእሽቶ ኽግዝኦ እዩ፡ ኢሉ ተባህለላ። 14እምብኣርሲ እንታይ ክንብል ኢና፧ ኣብ ኣምላኽዶ ዓመጻ ኣሎ፧ ያእ የልቦን። 15ንሙሴ፡ ንዝምሕሮ ኽምሕሮ፡ ንዝድንግጸሉውን ክድንግጸሉ እየ፡ ኢልዎ እዩ እሞ፡ 16ስለዚ ናይቲ ዝምሕር ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ናይቲ ዝደልን ዝጐይን ኣይኰነን። 17እቲ ጽሑፍ ንፈርኦን፡ ሓይለይ ኣባኻ ኸርኢ፡ ስመይውን ኣብ ኲሉ ምድሪ ኽውረ፡ ነዚ እየ ዘተንሳእኩኻ፡ ይብሎ እዩ እሞ፡ 18እምብኣርስኸ ንዝደለዮ ይምሕሮ፡ ንዝደለዮውን የትርሮ እዩ። 19ደጊም ንምንታይ ደኣ ሕጂኸ ዝገንሕ፧ ነቲ ፍቓዱ መን ይቃወሞ፡ ክትብለኒ ኢኻ። 20ወይ ጋዶ፡ ኣታ ሰብ። ንኣምላኽ እትማጐቶኸ ንስኻ መን ኢኻ፧ ግቡርዶ ነቲ ገባሪኡ፡ ንምንታይ ከምዚ ጌርካ ሰራሕካኒ፧ ይብሎ እዩ፧ 21ወይስ ሰራሕ መሬትዶ ኻብ ሓደ ጽቡር መሬት ገሊኡ ንኽብረት ገሊኡውን ንሓሳር ዝኸውን ኣቕሑ ኽሰርሕ፡ ኣብቲ መሬት ስልጣን የብሉን እዩ፧ 22ኣምላኽከ ቑጥዓኡ ምእንቲ ኸርኢ ሓይሉውን ከፍልጥ ደልዩስ፡ ነቶም ንጥፍኣት እተዳለዉ ኣቓሑ ቑጥዓ ብብዙሕ ትዕግስቱ እንተ ጸሮም፡ 23እዚ ኸኣ ነቶም ቀደም ንኽብሪ ዘዳለዎም ኣቕሑ ምሕረት እቲ ሃብቲ ኽብሩ ምእንቲ ኸፍልጦም፡ 24ንኣናውን፡ ማለት ካብ ኣህዛብ ድማ እምበር፡ ካብ ኣይሁድ ጥራይ ንዘይኰንና ዝጸውዓና፡ 25-26ከምቲ ኣብ ሆሴእ ዝብሎ፡ ነቲ ህዝበይ ዘይኰነ ንእኡ ህዝበይ ክብሎ እየ፡ ነታ ዘይፍቅርቲውን ፍቅርቲ ኽብላ እየ፡ ኣብታ፡ ንስኻትኩምሲ ህዝበይ ኣይኰንኩምን፡ እተባሃለሎም ስፍራ ድማ፡ ኣብኣ ደቂ ህያው ኣምላኽ ከም ዝብሃሉ፡ ክኸውን እዩ። 27-28እግዚኣብሄር ንቓሉ ብቑሩጽን ምዱብን ገይሩ ኣብ ምድሪ ኽፍጽሞ እዩ እሞ፡ ኢሳይያስ ብዛዕባ እስራኤል፡ ቁጽሪ ደቂ እስራኤል ከም ሑጻ ባሕሪ እኳ እንተ ዀነ፡ እቲ ተረፍ ጥራይ እዩ ዝድሕን፡ ኢሉ ይጭድር። 29ከምቲ ኢሳይያስውን ኣቐዲሙ፡ እግዚኣብሄር ጸባኦት ዘርኢ እንተ ዘይሓደገልናስ፡ ከም ሶዶም ምዀንና ንጎሞራውን ምመሰልና ኔርና፡ ዝበሎ እዩ። 30ደጊምከ እንታይ ንበል፧ እቶም ጽድቂ ዘይደለዩ ኣህዛብ ጽድቂ ረኸቡ፡ እዚ ኸኣ እቲ ኻብ እምነት ዝመጽእ ጽድቂ እዩ። 31እስራኤል ግና ንሕጊ ጽድቂ እናደለይዎስ፡ ናብቲ ሕጊ ጽድቂ ኣይበጽሑን። 32-33ስለምንታይ፧ ከመዮ፡ እንሆ፡ ኣብ ጽዮን እምኒ መዐንቀፍን ከውሒ መንሳተትን አንብር ኣሎኹ፡ ብእኡ ዝኣምን ከኣ ኣይክሓፍርን እዩ፡ ዝብል ጽሑፍ ዘሎ፡ ካብ ግብሪ እምበር፡ ካብ እምነት ስለ ዘይደልይዎ፡ ብእምኒ መዐንቀፊ ተዓንቀፉ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ሮሜ ምዕራፍ 10
1-2ኣሕዋተየ፡ ብፍልጠት ደኣ ኣይኰነን እምበር፡ ንኣምላኽ ቅንኣት ከም ዘለዎምሲ፡ ኣነ እምስክረሎም ኣሎኹ እሞ፡ ንሳቶም ክድሕኑ፡ ስሊኦም ሃረርታ ልበይን ናብ ኣምላኽ ጸሎተይን እዩ። 3-4ክርስቶስ ነቲ ዝኣምን ዘበለ ዂሉ መደምደምታ ሕጊ ንጽድቂ እዩ እሞ፡ ጽድቂ ኣምላኽ ሰኣን ምፍላጦምን ጽድቂ ርእሶም ክተኽሉ ብምድላዮምንሲ ንርእሶም ኣብ ትሕቲ ጽድቂ ኣምላኽ ኣየግዝኡን። 5ሙሴ ብዛዕባቲ ኻብ ሕጊ ዝመጽእ ጽድቂ፡ እቲ ዝገበሮ ሰብ ብእኡ ብህይወት ክነብር እዩ፡ እናበለ ይጽሕፍ እዩ እሞ፡ 6እቲ ኻብ እምነት ዝመጽእ ጽድቂ ግና ከምዚ ይብል፡ ብልብኻ፡ መን ናብ ሰማይ ክድይብ እዩ፧ ኣይትበል፡እዚ ማለት ንክርስቶስ ከውርዶ፡ 7ወይስ፡ ናብ መዓሙቝሲ መን ክወርድ እዩ፧ እዚ ማለት ንክርስቶስ ካብ ምዉታት ከውጽኦ። 8እንታይ ደኣ ይብል፧ እቲ ቓል ኣብ ኣፍካን ልብኻን ጥቓኻ እዩ፡ እዚ ማለት እቲ ንሕና እንሰብኮ ቓል እምነት እዩ። 9-11እቲ ጽሑፍ፡ ብእኡ ዝኣምን ዘበለ ኣይሐፍርን፡ ይብል እዩ እሞ፡ ሰብ ብልቡ ኣሚኑ ይጸድቕ፡ ብኣፉ ተኣሚኑውን ይድሕን እዩ፡ ስለዚ ብኣፍካ የሱስ ጐይታ ምዃኑ እንተ ነገርካ፡ ብልብኻውን ኣምላኽ ካብ ምዉታት ከም ዘተንስኦ እንተ ኣመንካ፡ ክትድሕን ኢኻ። 12-13ማለት፡ ነፍሲ ወከፍ ስም እግዚኣብሄር ዝጽውዕ ዘበለ ክድሕን እዩ፡ ንሱስ ሓደ ጐይታ እዩ፡ ነቶም ዝጽውዕዎ ዂሎምውን ሃብታም እዩ እሞ፡ ኣብ መንጎ ኣይሁዳውን ጽርኣውን ሌላን ጒሌላን የልቦን። 14ግናኸ ነቲ ብእኡ ዘይኣመኑ ኸመይ ኢሎም ክጽውዕዎ እዮም፧ ብዛዕባኡ ኸይሰምዑኸ፡ ከመይ ገይሮም ብእኡ ክኣምኑ፡ ብዘይሰባኺኸ ኸመይ ገይሮም ክሰምዑ፧ 15ከመዮ፡ ኣእጋር እቶም ሰናይ ዘበስሩ ኽንደይ ጽቡቕ እዩ፡ ዝብል ጽሑፍ፡ እንተ ዘይተላእኩስ፡ ከመይ ገይሮምዶ ኽሰብኩ እዮም፧ 16ግናኸ ኢሳይያስውን፡ ጐይታይ፡ ንምስክርና መን ኣመኖ፧ ይብል እዩ እሞ፡ ኲላቶም ንወንጌል ኣይተኣዘዝዋን። 17እምብኣርሲ እምነት ካብ ምስማዕ እያ፡ ምስማዕውን ብቓል ክርስቶስ እዩ። 18ኣነ ግና፡ ከቶዶ ኣይሰምዑን እዮም፧ እብል ኣሎኹ። ደሃዮም ናብ ኲሉ ምድሪ ወጸ፡ ቃሎምውን ክሳዕ ወሰን ዓለም በጽሐ፡ ብሓቂ እባ ሰሚዖም። 19ኣነ ግና፡ እስራኤልከሞ ኣይፈለጠን ድዩ፧ እብል ኣሎኹ። ቅድም ሙሴ፡ ኣነ ህዝቢ ብዘይኰነ ከቕንኣኩም፡ ኣእምሮ ብዘይብሉ ህዝቢውን ከዀርየኩም እየ፡ ይብል። 20ኢሳይያስውን ደፊሩ፡ ነቶም ዘይደለዩኒ ተረኸብኩሎም፡ ንዘይሐተቱለይውን ተገለጽኩሎም፡ ይብል እዩ። 21ብዛዕባ እስራኤል ግና፡ ናብ ዘይእዙዝን ተቓዋምን ህዝቢ ምሉእ መዓልቲ ኢደይ ዘርጋሕኩ፡ እዩ ዝብል።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ሮሜ ምዕራፍ 11
1እምበኣርሲ እብል ኣለኹ፡ ኣምላኽ ንህዝቡዶ ደርብይዎ እዩ፧ ያእ ኣይፋሉን። ኣነ እኳ እስራኤላዊ፡ ካብ ዘርኢ ኣብርሃም፡ ካብ ዓሌት ብንያም እየ። 2-3ኣምላኽ ነቲ ቀደም ዝፈለጦ ህዝቡ ኣይደርበዮን። ወይስ እቲ ጽሑፍከ ብዛዕባ ኤልያስ፡ ንሱ፡ ጐይታይ፡ ንነብያትካ ቐተልዎም፡ መሰውኢኻውን ኣፍረሱ፡ ኣነ በይነይ እየ ተሪፈ ዘለኹ፡ ንህይወተይ ድማ ይደልዩዋ ኣለዉ፡ ኢሉ፡ ንእስራኤል ኣሳጢሑ ናብ ኣምላኽ እናጠርዐ፡ እንታይ ከም ዝበለዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ 4ምላሽ ኣምላኽከ እንታይ በሎ፧ ንበዓል ዘይሰገዱ ሾብዓተ ሽሕ ሰብኣይ ንርእሰይ ኣትሪፈ ኣለኹ። 5እምብኣርሲ ኸምኡውን ሕጂ በዚ ዘመንዚ ብሕርየት ጸጋ ተረፍ ኣሎ። 6ብጸጋ ካብ ዝኸውን ግና፡ እምበኣርስከ ካብ ግብሪ ኣይኮነን። ብዘይእዝስ እቲ ጸጋውን ጸጋ ኣይከውንን። ካብ ግብሪ ካብ ዝኸውን ግና ደጊም ጸጋ ኣይኮነን። እንተዘይኮነስ እቲ ግብሪውን ግብሪ ኣይከውንን እዩ። 7-8እምብኣርሲ እንታይደኣ እዩ፧ ከመዮ ጽሑፍ፡ ኣዒንቶም ከይርእያ፡ ኣእዛኖምውን ከይሰምዓስ፡ ኣምላኽ ክሳዕ ሎም መዓልቲ መንፈስ ምብዕዛዝ ሃቦም፡ ዝብል ዘሎ፡ እቶም ሕሩያት ረኸቡ እሞ፡ እስራኤል ነቲ ዝደልዮ ኣይረኸቦን፡ እቶም ዝተረፉውን ተረሩ። 9ዳዊትውን፡ እቲ መኣዶም ንመፈንጥራን መድፈናን ንመዓንቀፊን መስጣን ይኹኖም፡ 10ከይርእዩ ኣዒንቶም ይጸልምታ፡ እንግድዓውቶም ከኣ ንሓዋሩ ኣጎብጥ፡ ይብል እዩ። 11እምብኣርሲ እብል ኣለኹ፡ ምእንቲ ኽወድቁ ድዮም እተዓንቀፉ፧ ያእ ኣይፋሎምን። ምእንቲ ከቕንኦም እባ ደኣ፡ እቲ ምውዳቖም ነህዛብ ምድሓን ኰነሎም። 12እቲ ምውዳቖም ሃብቲ ዓለም፡ እቲ ምጕዳሎም ሃብቲ ኣህዛብ ካብ ኮነ ግና፡ ምልኣቶም ደኣ ክንደይ ክበልጽ እዩ። 13-14ንኣኻትኩም ኣህዛብ፡ እብለኩም ኣለኹ፡ ምናልባሽ ነቶም ስጋይ ዝዀኑ እንተ ኣቕናእኩዎም ካባታቶም ውን ገለ እንተኣድሓንኩስ፡ ኣነ ነህዛብ ሃዋርያኦም እየ እሞ፡ መልእኽተይ አኽብር ኣሎኹ። 15እቲ ምድርባዮም ንዓለም ዕርቂ ካብ ኮነላስ፡ ምቕባሎም ደኣ ዘይ ህይወት ካብ ምውታት፡ እንታይ ካልእ ክኸውን ኢሉ፧ 16እቲ ቀዳማዩ ቅዱስ እንተዀነ፡ እቲ ብሑቝ ከኣ ቅዱስ እዩ። እቲ ሱር ቕዱስ እንተ ዀነ ኸኣ፡ ጨነፍሩ ውን ቅዱስ እዩ። 17ካብቶም ጨነፍር ሓያሎ እንተተሰብሩ እሞ ንስኻ፡ ኣውልዕ በረኻ ክነስኻ፡ ኣብ መንጎኦም እንተ ተተኸልካ፡ ካብቲ ሱርን ማራ ኣውልዕን ድማ ተማቓሊ እንተዀንካ፡ 18ኣብቶም ጨነፍር ኣይትከበር። እንተተኸበርካ ግና፡ እቲ ሱር እዩ ንዓኻ ጾይሩካ ዘሎ እምበር፡ ነቲ ሱር ንስኻ ኣይኮንካን ጾይርካዮ ዘሎኻ። 19ምናልባሽ ንስኻ፡ ኣነ ምእንቲ ኽትከል እዮም እቶም ጨነፍር እተሰብሩ፡ ትብል ትኸውን። 20ጽቡቕ፡ ንሳቶም ሰኣን ምእማኖም ተሰብሩ፡ ንስኻ ግና ሳላ ዝኣመንካ ደው ኢልካ ኣሎኻ። ፍራህ ደኣ እምበር ብልብኻ ኣይትተዓበ። 21ኣምላኽ ነቶም ካብ ባህርዮም ጨነፍር ዝነበሩ ካብዘይነሓፎም፡ ንዓኻውን ኣይክንሕፈካን እዩ። 22እምብኣርሲ ናይ ኣምላኽ ለውሃትን ጭከናን ተመልከት፡ ኣብቶም ዝወደቑ ጭከናኡ፡ ንኣኻ ግና፡ ኣብቲ ለውሃቱ እንተጸናዕካ፡ ለውሃት ኣምላኽ። እንተዘይኮነስ ንስኻውን ክትቁረጽ ኢኻ። 23ንሳቶም ኣብቲ ዘይምእማኖም እንተዘይጸንዑ ግና፡ ኣምላኽ ከም ብሓድሽ ክተኽሎም ይኽእል እዩ እሞ፡ ኽትከሉ እዮም። 24ንስኻ ካብታ ብባህርያ ኣውልዕ በረኻ ተቖሪጽካ ብዘይመገዲ ባህርይ ኣብታ ጽብቕቲ ኣውልዕ ካብ ተተኸልካስ፡ እቶም ብባህርዮም ጨነፍር ዝነበሩ ግዳ ከመይ ኣብታ ኦም ኣውልዖም ኣጸቢቖም ዘይትከሉ። 25ኣሕዋተየ፡ ብርእስኹም ብልህታት ዝዀንኩም ምእንቲ ከይመስለኩምሲ፡ ምልኣት ኣህዛብ ክሳዕ ዝኣቱ፡ ንሓያሎ ካብ እስራኤል ትሪ ልቢ ከምዝበጽሖም፡ እዚ ምስጢር እዚ ዘይትፈልጡ ኽትኮኑ፡ ኣይፈቱን እየ። 26-27ከምቲ ጽሑፍ፡ ተበጃዊ ካብ ጽዮን ክመጽእ እዩ፡ ካብ ያእቆብ ከኣ ረሲእነት ከርሕቕ እዩ፡ ሓጢኣቶም ምስ ኣርሓቕኩ፡ ኪዳነይ ምሳታቶም እዚ ክኸውን እዩ፡ ዝብሎ፡ ብዘሎ እስራኤል ክድሕን እዩ። 28-29ውህበት ጸጋ ኣምላኽን ጽውዓኡን ዘይጠዓሰሉ ስለዝኮነ፡ ብወንጌል ምእንታኹም ጸላእቲ እዮም፡ ብምሕራይ ግና ምእንቲ ኣቦታት ፍቑራት እዮም። 30-32ኣምላኽ ንኹሎም ምእንቲ ክምሕሮም፡ ንኹሎም ኣብ ዘይምእዛዝ ዓጸዎም እሞ፡ ከምቲ ንስኻትኩም ቀደም ንኣምላኽ ዘይተኣዘዝኩምዎ፡ ሕጂ ግና ሳላ ዘይምእዝ እቲኣቶም እተመሓርኩም፡ ከምኡውን ንሳቶም በቲ ንስኻትኩም እተመሓርኩምዎ ምሕረት ምእንቲ ክመሓሩ፡ ሕጂ ኣይተኣዘዙን። 33ወዳጄ፡ መዓሙቝ ሃብቲ ኣምላኽን ጥበቡን ፍልጠቱን፡ ክንደይ ዘይምርመር ኮታ እዩ ፍርዱ፡ ክንደይ ብኣሰር ኣሰር ዘይርከብ እዩ መገዱ። 34 ሓሳብ እግዚኣብሄር ዝፈልጥ መን እዩ፧ ወይስ መን እዩ ዘማኸሮ፧ 35መንከ እዩ ቐደም ገለ ዝሃቦ እሞ ዝፍደዮ፧ 36ኵሉ ካብኡ እዩ ብእኡን ንእኡን ድማ እዩ እሞ፡ ንእኡ ንዘልኣለም ክብሪ ይዅኖ። ኣሜን
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ሮሜ ምዕራፍ 12
1እምብኣርሲ ኣሕዋተየ፡ ንስጋኹም ህያውን ቅዱስን ንኣምላኽ ባህ ዘብልን መስዋእቲ ጌርኩም ከተቕርብዎ፡ ብምሕረት ኣምላኽ እምዕደኩም ኣሎኹ፡ እዚ ማለት እቲ ናይ ኣእምሮ መንፈሳዊ ኣገልግሎትኩም እዩ። 2እቲ ሰናይን ባህ ዘብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስ፡ ብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ። 3ከምቲ ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍ ዝዓደሎ መስፈር እምነት ገይሩ ደኣ፡ ብዛዕባ ርእሱ ብልክዕ ይሕሰብ እምበር፡ ካብቲ ዝግብኦ ኣዕዚዙ ኸይሐስብሲ፡ ንነፍሲ ወከፍ ኣብ ማእከልኩም ዘሎ፡ በቲ እተዋህበኒ ጸጋ እብሎ ኣሎኹ። 4ከምቲ ኣብ ሓደ ስጋ ብዙሕ ኣካላት ዘሎና እሞ፡ ብዘሎ ኣካላት ከኣ ተግባሩ ሓደ ዘይኰነ፡ 5ንሕና ብዙሓት ከኣ ከምኡ ብክርስቶስ ሓደ ስጋ ኢና፡ በብሓደ ግና ነንሓድሕድና ኣካላት ኢና። 6ከምቲ እተዋህበና ጸጋ በበይኑ ዝዀነ ውህበት ጸጋ ኻብ ዝህልወናስ፡ ትንቢት እንተ ዀይኑ፡ ብልክዕ እምነትና ይኹን። 7ኣገልግሎት እንተ ዀይኑ፡ ብኣገልግሎትና ንጽናዕ። ዝምህር እንተ ዀይኑ፡ ብምምሃሩ ይጽናዕ። 8መዓዲ እንተ ዀይኑ ብምምዓዱ፡ ዝህብ ተገሪሁ ይሃብ፡ መራሒ እንተ ዀይኑ፡ ብትግሃት ይምራሕ፡ እቲ ዝድንግጽውን ብሓጐስ ይደንግጽ። 9ፍቕሪ ብዘይግብዝና ትኹን። ንኽፍኣት ፈንፍንዎ ኣብ ሰናይ ልገቡ። 10ንሓድሕድኩም ብምክብባር እናተቓዳደምኩም፡ ብፍቕሪ ኣሕዋት ንሓድሕድኩም ብለውሃት ተፋቐሩ። 11ንምትጋህ ኣይትተሃከዩ፡ ብመንፈስ ተቓጸሉ፡ ንእግዚኣብሄር ኣገልግሉ። 12ብተስፋ ተሐጐሱ፡ ብጸበባ ተዓገሱ፡ ጸሎት ኣዘውትሩ። 13ብዘድልዮም ንቕዱሳን ኣማቕሉ፡ ንምቕባል ጋሻ ተቓዳደሙ። 14ንዝሰጉኹም መርቑ፡ መርቑ እምበር፡ ኣይትርገሙ። 15ምስቶም ዝሕጐሱ ተሐጐሱ፡ ምስቶም ዝበኽዩ ብኸዩ። 16ንሓድሕድኩም ሓንቲ ሓሳብ ሕሰቡ። ምስቶም ታሕቶት ትሕት በሉ እምበር፡ ኣብቲ ልዕል ዝበለ ነገር ሓሳብኩም ኣይተውድቑ። ጠቢባን ኢና ኢልኩም ብርእስኹም ኣይትሕሰቡ። 17ነቲ ኣብ ቅድሚ ዂሉ ሰብ ጽቡቕ ዝኸውን ደኣ ሕሰቡ እምበር፡ ንሓደ እኳ ኽፉእ ኣብ ክንዲ ኽፉእ ኣይትፍደይዎ። 18 ዝከኣል እንተ ዀይኑስ፡ ብኣኻትኩም ዝመጸ፡ ምስ ኲሉ ሰብ ብሰላም ንበሩ። 19ፍቁራተይ፡ ምፍዳይ ሕነ ናተይ እዩ፡ ኣነ ኽፈድዮ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ጽሑፍ እዩ እሞ፡ ነቲ መዓትሲ ስፍራ ሕደጉሉ እምበር፡ ባዕላትኩም ሕነ ኣይትፍደዩ። 20ጸላኢኻ እንተ ጠመየ ግና ኣብልዓዮ፡ እንተ ጸምአውን ኣስትዮ። እዚ ብምግባርካ ጒሁር ሓዊ ኣብ ርእሱ ኽትእክብ ኢኻ። 21ነቲ እከይ ደኣ ብሰናይ ጌርካ ስዓሮ እምበር፡ በቲ እከይ ኣይትሰዓር።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ሮሜ ምዕራፍ 13
1ብኣምላኽ ዘይኰነስ ስልጣን የልቦን፡ እቶም ዘለዉ ስልጣናት ከኣ ብኣምላኽ እተሰርዑ እዮም እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ስልጣን ዘለዎ ይገዝኣዮ። 2ስለዚ ኸኣ ነቲ ብዓል ስልጣን ዝቃወም ነቲ ስርዓት ኣምላኽ እዩ ዝቃወሞ። እቶም ዝቃወምዎ ድማ፡ ባዕላቶም ፍርዲ ክቕበሉ እዮም። 3-4እቶም ገዛእቲ ንእኩይ ግብሪ እምበር፡ ንሰናይ ግብሪ ዘፍርሁ ኣይኰኑን። ነቲ ብዓል ስልጣን ከይትፈርሆዶ ትደሊ ኢኻ፧ ንሱ ንሰናይካ ኢሉ ኣገልጋሊ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ሰናይ ግበር ንሱውን ክንእደካ እዩ። እኩይ እንተ ገበርካ ግና፡ ኣገልጋሊ ኣምላኽ፡ ነቲ ገባር እኩይሲ መቕጻዕቲ ዘምጽኣሉ ፈዳይ ሕነ ስለ ዝዀነ፡ ሰይፊ ንኸንቱ ኣይዕጠቕን እዩ እሞ፡ ፍራህ። 5ስለዚ ኸኣ ስለ ሕሊና ኢልኩም እምበር፡ ስለ መቕጻዕቲ ጥራይ ኣይኰነን፡ ክትግዝእዎም ዝግብኣኩም። 6ገላዉ ኣምላኽ እዮም እሞ፡ በዚ ተግባር እዚ ኸየብኰሩ የገልግሉ ኣለዉ። ስለዚውን ኢኹም ግብሪ እትህቡ ዘሎኹም። 7እምብኣርስ ግብሪ ንዝግብኦ ግብሪ፡ ተጎ ንዝግብኦ ተጎ፡ ፍርሃት ንዝግብኦ ፍርሃት፡ ክብረት ንዝግብኦ ኽብረት፡ ንዂሉ እቲ ዘዝግብኦ ሃብዎ። 8እቲ ንብጻዩ ዘፍቅር ንሕጊ ፈጺምዎ እዩ እሞ፡ እታ ንሓድሕድኩም ምፍቓር እንተ ዘይኰይና፡ ንገለ እኳ ዕዳ ኣይሃሉኹም። 9እዚ፡ ኣይትዘሙ፡ ኣይትቕተል፡ ኣይትስረቕ፡ ብሓሶት ኣይትመስክር፡ ኣይትመነ፡ እተባህለ፡ ካልእ ትእዛዝውን እንተ ዀነ፡ በዚ፡ ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ፡ ዝብል ቃል ክቱት እዩ። 10ፍቕሪ ንብጻያ እከይ ኣይትገብሮን፡ እምብኣርሲ ፍቕሪ መደምደምታ ሕጊ እያ። 11ምድሓን ካብቲ ዝኣመንናሉ ግዜስ ሕጂ ኣዝዩ ናባና ቐሪቡ ኣሎ እሞ፡ ሕጂ ኻብ ድቃስ ኣትባራበሩሉ ግዜ ኸም ዝበጽሐ፡ ነዛ ዘመን ፍለጥዋ። 12ለይቲ ሐሊፋ፡ መዓልቲ ቐሪባ እያ እሞ፡ ግብሪ ጸልማት ካባና ደርቢናስ፡ ኣጽዋር ብርሃን ንልበስ። 13ከም ብመዓልቲ ብቕንዕና ንመላለስ፡ ብጓይላን መስተን ኣይኰነን፡ ብምንዝርናን ዕብዳንን ኣይኰነን፡ ብባእስን ቅንኣትን ኣይኰነን። 14ንጐይታ የሱስ ክርስቶስ ደኣ ልበስዎ እምበር፡ ነቲ ሓልዮት ስጋስ መለዓዓል ትምኒት ኣይትግበርዎ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ሮሜ ምዕራፍ 14
1ነቲ ብእምነት ድኹም ዝዀነ፡ ብናይ ጥርጥር ከይተኻራኸርኩም፡ ተቐበልዎ። 2ኲሉ ምብላዕ ከም እተፈቕደሉ ዝኣምን ኣሎ፡ እቲ ድኹም ግና ሓምሊ እዩ ዝበልዕ። 3ኣምላኽ ተቐቢልዎ እዩ እሞ፡ እቲ ዝበልዕ ነቲ ዘይበልዕ ኣይንዓቆ። እቲ ዘይበልዕውን ኣብቲ ዝበልዕ ኣይፍረድ። 4ንስኻኸ ኣብ ጊልያ ኻልእ እትፈርድ እንታዋይ ኢኻ፧ ንሱ ንጐይታኡ እዩ ደው ዝብል ወይስ ዝወድቕ። ግናኸ እግዚኣብሄር ደው ከብሎ ይኽእል እዩ እሞ፡ ደው ክብል እዩ። 5እቲ ሓደ ነታ ሓንቲ መዓልቲ ኻብታ ኻልእ ኣብሊጹ ይፈልያ፡ እቲ ሓደ ግና ንዂላተን መዓልትታት ማዕረ ገይሩ እዩ ዝርእየን። ነፍሲ ወከፍ ብሓሳቡ ርዱእ ይኹን። 6እቲ ነታ መዓልቲ ዝጥንቀቐላ ንጐይታ ኢሉ ይገብሮ። እቲ ዝበልዕ ድማ፡ ንኣምላኽ የመስግኖ እዩ እሞ ንጐይታ ኢሉ እዩ ዝበልዕ። እቲ ዘይበልዕውን ንጐይታ ኢሉ እዩ ዘይበልዕ፡ ንኣምላኽ ከኣ የመስግኖ። 7ካባናስ ሓደ እኳ ንርእሱ ኢሉ ዝነብር የልቦን እሞ፡ ንርእሱ ዝመውት ከኣ ሓደ ኣኳ የልቦን። 8ብህይወት እንተ ነበርና፡ ንጐይታ ኢና እንነብር፡ ወይስ እንተ ሞትና፡ ንጐይታ ኢና እንመውት እሞ፡ ብህይወት እንተ ነበርና ወይስ እንተ ሞትና፡ ናይ ጐይታ ኢና። 9ስለዚ ኸኣ እዩ ክርስቶስ ጐይታ ምዉታትን ህያዋንን ምእንቲ ክኸውን ኢሉ፡ ዝሞተን ህያው ዝዀነን። 10-11ኣነ ህያው እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ኲሉ ብርኪ ክሰግደለይ፡ ኲሉ ልሳንውን ንኣምላኽ ከመስግኖ እዩ፡ ዝብል ጽሑፍ እዩ እሞ፡ ኲላትና ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ኣምላኽ ደው ክንብል ኢና። ስለምንታይ ደኣ ንስኻ ኣብ ሓውካ እትፈርድ፧ ወይስ ንምንታይ ንስኻ ንሓውኻ እትንዕቕ፧ 12እምብኣርሲ ነፍሲ ወከፍና በብናይ ርእሱ ንኣምላኽ ጸብጻብ ክህብ እዩ። 13ስለዚ ኣብ ንሓድሕድና ኣይንፍረድ። ሓደ እኳ ንሓዉ መዓንቀፊ ወይስ መሓንኰሊ ኸይገብረሉ ግዳ፡ እዚ ፍረዱ። 14ነቲ ኸም ርኹስ ዝርእዮ ደኣ፡ ንእኡ እዩ ርኹስ ዝዀኖ እምበር፡ ብርእሱስ ገለ ርኹስ እኳ ኸም ዘየልቦ፡ ብጐይታና የሱስ እፈልጥ ተረዲኤዮውን ኣሎኹ። 15ሓውካ በቲ ብልዕኻ እንተ ጐሃየ፡ ደጊም ብፍቕሪ ኣይኰንካን እትኸይድ ዘሎኻ እሞ፡ ነቲ ክርስቶስ ዝሞተሉ ብብልዕኻ ኣይተጥፍኣዮ። 16-17መንግስቲ ኣምላኽሲ ብመንፈስ ቅዱስ ጽድቅን ሰላምን ሓጐስን እያ እምበር፡ ብብልዕን መስተን ኣይኰነትን እሞ፡ ነቲ ሰናይኩም ኣይተጽርፍዎ። 18እቲ በዚ ኸምዚ ንክርስቶስ ዘገልግል ንኣምላኽ ባህ የብሎ ብሰብውን ፍቱን እዩ። 19እምብኣርስኸ ኣስኣሰር ናይ ሰላም ነገርን ኣስኣሰር ንሓድሕድና ዝሃንጽን ንስዓብ። 20ነቲ ተግባር ኣምላኽሲ ብምኽንያት ብልዒ ኣይተፍርሶ። ኲሉ ንጹህ እዩ፡ ነቲ ብውልውል ዝበልዕ ሰብ ግና ክፉእ እዩ። 21ሓውካ ዝዕንቀፈሉ ዘበለ ዘይምግባር፡ ስጋ ዘይምብላዕ ወይስ ወይኒ ዘይምስታይ፡ ጽቡቕ እዩ።22ንስኻ፡ ኣታ እምነት ዘላትካ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንርእስኻ ትሃሉኻ፡ እቲ በቲ ጽቡቕ ኢሉ ዝፈተኖ ነገር ኣብ ርእሱ ዘይፈርድ ብጹእ እዩ። 23ግናኸ ካብ እምነት ዘይኰነ ዘበለ ኲሉ ሓጢኣት እዩ እሞ፡ እቲ እናተዋላወለ ዝበልዕ፡ ብእምነት ስለ ዘይበልዐ፡ ይዂነን።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ሮሜ ምዕራፍ 15
1እምብኣርሲ ንሕና ብርቱዓት ዝዀንና፡ ድኻም እቶም ድኹማት ክንጸውር፡ ንርእስናውን ባህ ከይነብል፡ ይግብኣና እዩ። 2-3ከምቲ ጽሑፍ፡ ጸርፊ እቶም ዝጸረፉኻ ኣባይ ወደቐ፡ ዝብል፡ ክርስቶስ ድማ ንርእሱ ባህ ዘብል ኣይደለየን እሞ፡ ነፍሲ ወከፍና፡ ንብጻዩ ምእንቲ ኽሃንጾ፡ ብሰናይ ነገር ባህ የብሎ። 4ብትዕግስትን ብምጽንናዕ ጽሑፋትን ተስፋ ምእንቲ ክዀነልና፡ እቲ ቐደም እተጻሕፈ ዘበለ ዂሉ ንምህሮና እዩ እተጻሕፈ። 5-6ግናኸ ሐቢርኩም ብሓደ ኣፍ ኴንኩም ንኣምላኽ፡ ንሱ ኸኣ ኣቦ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ምእንቲ ከተኽብሩስ፡ እቲ ናይ ትዕግስትን ምጽንናዕን ኣምላኽ ኣብ ንሓድሕድኩም፡ ከምቲ ናይ ክርስቶስ የሱስ ጌርኩም፡ ሓደ ሓሳብ ክትሐስቡ ይሃብኩም። 7-8ክርስቶስ ነቲ ተስፋ ኣቦታት ከጽንዖስ፡ ምእንቲ ሓቂ ኣምላኽ ኣገልጋሊ ግዝረት ከም ዝዀነ፡ እብል ኣሎኹ። ስለዚ ድማ፡ ከምቲ ክርስቶስ ንኽብሪ ኣምላኽ እተቐበለኩም፡ ንሓድሕድኩም ተቓባበሉ። 9ኣህዛብ ግና ከምቲ ጽሑፍ፡ ስለዚ ኣብ ማእከል ኣህዛብ አመስግነካ ንስምካውን እዝምር ኣሎኹ፡ ዝብል፡ ንኣምላኽ ምእንቲ ምሕረቱ የመስግንዎ። 10ከም ብሓድሽውን፡ ኣቱም ኣህዛብ፡ ምስ ህዝቡ ዄንኩም ተሐጐሱ፡ ይብል። 11መሊሱ ኸኣ፡ ኲላትኩም ኣህዛብ፡ ንጐይታ ኣመስግንዎ፡ ብዘለዉ ህዝብታትውን ይወድስዎ፡ ይብል። 12ኢሳይያስ ድማ ደጊሙ፡ እቲ ሱር እሰይ ክኸውን እዩ፡ እቲ ኣብ ኣህዛብ ክገዝእ ዝትንስእ፡ ብእኡውን ኣህዛብ ተስፋ ኽገብሩ እዮም፡ ይብል። 13ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ኣዚኹም ብተስፋ ምእንቲ ኽትህብትሙስ፡ እቲ ናይ ተስፋ ኣምላኽ ኲሉ ሓጐስን ሰላምን ዘበለ ብእምነት ይምላእኩም። 14ኣሕዋተየ፡ ብዛዕባኻትኩምሲ ብጽቡቕ ነገር ምሉኣት ምዃንኩም ብፍልጠት ዘበለ ዂሉ ኸም ዝመላእኩም፡ ንሓድሕድኩም ምምዕዓድውን ከም ዝዀነልኩም፡ ኣነ ባዕለይ ተረዲአዮ ኣሎኹ። 15-16ግናኸ እቲ ብመንፈስ ቅዱስ እተቐደሰ ምስዋእ ኣህዛብ ቅቡል ምእንቲ ክኸውን፡ ብወንጌል ኣምላኽ እናኣገልገልኩ ናይ የሱስ ክርስቶስ ኣገልጋሊ ነህዛብ ምእንቲ ክኸውንሲ፡ በቲ ኻብ ኣምላኽ እተዋህበኒ ጸጋ ኸም ዘዘክረኩም ኰይነ፡ ብሓደ ወገን ኣዝየ ደፊረ ጸሐፍኩልኩም። 17-19እምብኣርሲ ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ፡ ብሓይሊ ትእምርትን ተኣምራትን፡ — ንምእዛዝ ኣህዛብ፡ — ክርስቶስ ብቓልን ብግብርን ዘይገበሮስ ክዛረበሉ እኳ ኣይደፍርን እየ እሞ፡ ብናይ ኣምላኽ ብየሱስ ክርስቶስ ዝምከሓሉ ኣሎኒ። ከምዚ ኻብ የሩሳሌምን ከባቢኣን ጀሚረ ኽሳዕ ኢሊሪኮን ነቲ ወንጌል ክርስቶስ ብምሉእ ሰበኽክዎ። 20-21ከምቲ፡ ብእኡ ዘይተነግረሎም ክርእይዎ እዮም፡ እቶም ዘይሰምዑውን ከስተብህሉ እዮም፡ ዝብል ጽሑፍ ደኣ እምበር፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ኻልእ ሰብ ዝመስረቶ ምእንቲ ኸይሃንጽሲ፡ ኣብቲ ክርስቶስ እተሰምየሉ ዘበለ፡ ወንጌል ከይሰብኽ፡ ክብረተይ ገይረዮ ኣሎኹ። 22ስለዚ ኸኣ ናባኻትኩም ካብ ምምጻእ ብዙሕ ሳዕ ተኸልከልኩ። 23ሕጂ ግና ኣብዚ ሃገር እዚ ስፍራ ስለ ዘይብለይ፡ ናባኻትኩም ምምጻእውን ካብ ብዙሕ ዓመታት ሒዘ ስለ ዝናፈቕኩ፡ 24ንስጳንያ ክኸይድ ከሎኹ፡ ናባኻትኩም ክመጽእ እየ። ክሐልፍ ከሎኹ ኽርእየኩም፡ ቅድም ቅሩብ ብምርኣይኩም ምስ ጸገብኩ፡ ካብኡ ንንየው ድማ ብኣኻትኩም ክስነ ተስፋ እገብር ኣሎኹ። 25-26ሕጂ ግና መቄዶንያን ኣካይያን ነቶም ኣብ የሩሳሌም ዘለዉ ናይ ቅዱሳን ድኻታት ገንዘብ ከዋጽኡ ፈትዮም ስለ ዘለዉ፡ ነቶም ቅዱሳን እናኣገልገልኩ ናብ የሩሳሌም እኸይድ ኣሎኹ። 27ሰሚሮምዎ እዮም እሞ፡ ሰብ ኢዶምውን እዩም። ካብቲ መንፈሳዊ ርካቦም እቶም ኣህዛብ ካብ ተማቐሉስ፡ ንሳቶም ድማ በቲ ንስጋኦም ዘድሊ ኸገልግልዎም፡ ዝግባእ እዩ። 28እምብኣርሲ እዚ ምስ ወዳእኩ፡ እዚ ፍረ እዚውን ምስ ሐተምኩሎም፡ ብኣኻትኩም ኣቢለ ንስጳንያ ክኸይድ እየ። 29በቲ ናባኻትኩም ምምጻአይ ከኣ ብምልኣት በረኸት ክርስቶስ ከም ዝመጸኩም፡ እፈልጥ ኣሎኹ። 30-32ኣሕዋተየ፡ ካብቶም ኣብ ኣይሁድ ዘለዉ ዘይኣምኑ ኽድሕን፡ ኣገልግሎተይ ንየሩሳሌምውን ኣብቶም ቅዱሳን ስሙር ምእንቲ ክኸውን፡ ምሳኻትኩም ምእንቲ ኽዓርፍሲ፡ ብፍቓድ ኣምላኽ ብሓጐስ ናባኻትኩም ክመጽእ፡ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስን ብፍቕሪ መንፈስን ብጸሎትኩም ምእንታይ ምሳይ ናብ ኣምላኽ ክትጋደሉ፡ እምዕደኩም ኣሎኹ። 33ኣምላኽ ሰላም ምስ ኲላትኩም ይኹን። ኣሜን።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ሮሜ ምዕራፍ 16
1ንፌበን ሓብትና፡ እታ ኣገልጋሊት ማሕበር ክንክርኤስ ግዳ፡ አማዕቁበኩም ኣሎኹ። 2ንሳ ድማ ንብዙሓት ንኣይ ንርእሰይን ደጋፊት ነይራ እያ እሞ፡ ንቕዱሳን ከም ዝግባእ ጌርኩም ተቐበልዋ፡ ብትደልየኩም ዘበለ ተግባርውን ደግፍዋ። 3ነቶም ብክርስቶስ የሱስ መዓይይተይ፡ ጵርስኪላን ኣኪላስን፡ ሰላም በሉ። 4ንሳቶም ኣብ ክንዲ ህይወተይ ክሳዶም ዘሕለፉ፡ ብዘለዋ ማሕበራት ኣህዛብ ከኣ ዘመስግናኦም እምበር ኣነ ጥራይ ዘይኰንኩ ዘመስግኖም ዘሎኹ። 5ነታ ኣብ ቤቶም ዘላ ማሕበርውን ሰላም በሉ። ንኤጴኔጦስ ፍቁረይ፡ ንሱ ድማ ንክርስቶስ በዂሪ እስያ ዝዀነ ሰላም በሉ። 6ነታ ንኣኻትኩም ብዙሕ ዝጸዓረት ማርያም ሰላም በሉ። 7ነቶም ኣብ ሃዋርያት ፍሉጣት፡ ቅድመይ ድማ ናብ ክርስቶስ ዝመጹ ምሳይውን እተኣስሩ ኣዝማደይ ኣንድሮኒቆስን ዮንይን ሰላም በሉ። 8ንኣምጵልያስ ብጐይታ ፍቁረይ ሰላም በሉ። 9ንኡርባኖስ ብክርስቶስ መዓይይትናን ንእስጣኩስ ፈታውየይን ሰላም በሉ። 10ነቲ ብክርስቶስ እተፈተነ ኣጵሌስ ድማ ሰላም በሉ። ንስድራ ቤት ኣርስጦቡሎስ ሰላም በሉ። 11ንሄሮድዮን ዘመደይ ሰላም በሉ። ነቶም ብጐይታ ዘለዉ ኻብ ስድራ ቤት ናርቂሶስ ሰላም በሉ። 12ነተን ብጐይታ ዝጽዕራ ዘለዋ ጥሬፌናን ጥሬፎሳን ሰላም በሉ። ነታ ብጐይታ ብዙሕ ዝጸዓርት ጳርሲስ ፍቅርቲ ሰላም በሉ። 13ነቲ ብጐይታ እተሐርየ ሩፎስን ነዲኡን ኣደይን ሰላም በሉ። 14ንኣስንቅሪጦስን ንፍሌጎንን ንሄርሜስን ንጳጥሮባስን ንሄርማስን ምሳታቶም ንዘለዉ ኣሕዋትን ሰላም በሉ። 15ንፊሎሎጎስን ንዩልያን ንኔርዮስን ንሓብቱን ንኦልምጳስን ነቶም ምሳታቶም ዘለዉ ዂሎም ቅዱሳንን ሰላም በሉ። 16ንሓድሕድኩም ከኣ ብቕዱስ ምስዕዓም ሰላም ተባሃሃሉ። ኲለን ማሕበራት ክርስቶስውን ሰላም ይብላኹም ኣለዋ። 17-18ግናኸ ኣሕዋተየ፡ ነቶም ካብቲ እተመሃርኩምዎ ምህሮ ምፍልላይን መዓንቀፍን ዝገብሩ ኽትዕዘብዎም፡ እምዕደኩም ኣሎኹ። እቶም ከምዚኣቶም ዝበሉ ንኸብዶም እምበር፡ ንጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኣየገልግልዎን፡ ብጥዑም ዘረባን ምርቓን ልቢ እቶም ገርህታት የስሕቱ እዮም እሞ፡ ካባታቶም ኣግልሱ።19ምእዛዝኩም ኣብ ኵሉ ተሰሚዑ እዩ፡ ስለዚ ብኣኻትኩም እሕጐስ ኣሎኹ። ንሰናይ ብልህታት፡ ንእኩይ ግና ገርህታት ክትኰኑ፡ እደሊ ኣሎኹ። 20ኣምላኽ ሰላም ከኣ ንሰይጣን ቀልጢፉ ኣብ ትሕቲ እግርኹም ክቕጥቅጦ እዩ። ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምሳኻትኩም ይኹን። 21ጢሞቴዋስ፡ እቲ መዓይይተይ፡ ሰላም ይብለኩም ኣሎ። ሉክዮስን ያሶንን ሶሲጳጥሮስን ኣዝማደይ ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ። 22ኣነ ጠርጥዮስ፡ ነዛ መልእኽቲ እዚኣ ዝጸሐፍኩ፡ ብጐይታ ሰላም እብለኩም ኣሎኹ። 23እቲ ንኣይን ነታ ማሕበር ኲላን ግሽነት ዝቕበል ጋይዮስ ሰላም ይብለኩም ኣሎ። ኤራስጦስ፡ እቲ ተሓዝ ገንዘብ ከተማን ቁኣርጦስ ሓዉናን ሰላም ይብልኹም ኣለዉ። 24-25ነቲ ብወንጌለይን ብስብከት የሱስ ክርስቶስን ብምግሃድ እቲ ኻብ ዘለኣለም ተሰዊሩ ዝነበረ ሕጂ ግና እተገልጸ ምስጢር፡ በቲ ብጽሕፈት ነብያትውን ብትእዛዝ እቲ ናይ ዘለኣለም ኣምላኽ ንምእዛዝ እምነት ንዅሎም ኣህዛብ እተነግረ ምስጢር፡ ነቲ ኸጽንዓኩም ዝካኣሎ፡ 26ነቲ በይኑ ብዓል ጥበብ ኣምላኽ ብየሱስ ክርስቶስ ንዘለኣለም ክብሪ ይኹኖ። ኣሜን። 27ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምስ ኲላትኩም ይኹን። ኣሜን።
1ይቲ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቈረንቶስ
1 2 3 4 5 6 7
8 9 10 11 12
13 14 15
16
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
1ይ ቈረንቶስ ምዕራፍ 1
1ጳውሎስ ብፍቓድ ኣምላኽ ሃዋሪያ የሱስ ክርስቶስ ክኸውን እተጸውዐ፡ ሶስቴኔስ ከኣ ሓውና፡ 2ነታ ኣብ ቈረንቶስ ዘላ ማሕበር ኣምላኽ፡ ብክርስቶስ የሱስ እተቐደሱ፡ ቅዱሳን ንምዃን እተጸውዑ፡ ኣብ ኲሉ ስፍራ፡ ኣብኦምን ኣባናን፡ ስም ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምስ ዝጸውዑ ዘበሉ ዂላቶም፡ 3ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ካብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ንኣኻትኩም ይኹን።
4-6ኣነ፡ ከምቲ ምስክር ክርስቶስ ኣባኻትኩም ዝጸንዐ፡ ስለቲ ብክርስቶስ የሱስ እተዋህበኩም ጸጋ ኣምላኽ ብዂሉ ቓልን ብዂሉ ፍልጠትን ብዂሉ ብእኡ ስለ ዝሃብተምኩም፡ ኲሉ ሳዕ ብዛዕባኹም ንኣምላኸይ አመስግን ኣሎኹ። 7ምግሃድ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ እናተጸቤኹም፡ ብሓደ ውህበት ጸጋ እኳ ኸይጐደልኩም፡ 8ንሱ ድማ፡ ብመዓልቲ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ብዘይ እንታ ኽትኰኑ፡ ክሳዕ መወዳእታ ኸጽንዓኩም እዩ። 9እቲ ናብ ሕብረት ወዱ የሱስ ክርስቶስ ጐይታና ዝጸውዓኩም ኣምላኽ እሙን እዩ።
10-12ግናኸ፡ ኣሕዋተየ፡ ኣባኻትኩም ክርክር ከም ዘሎስ፡ ብዛዕባኹም ሰብ ቤት ቀሎኤ ነጊሮምኒ ኣለዉ፡ እዚ ማለት፡ ነፍሲ ወከፍኩም፡ ኣነ ናይ ጳውሎስ እየ፡ ኣነስ እባ ናይ ኣጵሎስ፡ ኣነ ናይ ኬፋ፡ ኣነስ ናይ ክርስቶስ እየ፡ ከም እትብሉ፡ እዚ እየ ዝብል ዘሎኹ። ኣሕዋተየ፡ ኲላትኩም ሓደ ዘረባ ኽትዛረቡ፡ ብሓደ ልብን ብሓደ ሓሳብን ፍጹም ክትጋጠሙ እምበር፡ ምፍልላይ ከይህልወኩም፡ እምዕደኩም ኣሎኹ። 13ክርስቶስዶ ተመቒሉ እዩ፧ ወይስ ጳውሎስዶ ተሰቂሉልኩም እዩ፧ ወይስ ብስም ጳውሎስ ዲኹም እተጠመቕኩም፧ 14-15ሓደ እኳ ብስመይ ከም እተጠመቕኩም ከይብል፡ ብዘይ ክሪስጶስን ገይዮስን ንሓደ ኻባኻትኩም እኳ ስለ ዘየጥመቕኩ ንኣምላኽ አመስግኖ ኣሎኹ። 16ስድራ ቤት እስጢፋኖስውን ኣጥሚቐ ኣሎኹ፡ ብዘይ እዚኣቶም ሓደ ኻልእ ከም ዘጥመቕኩ፡ ኣይፈልጥን እየ። 17እቲ መስቀል ክርስቶስ ከንቱ ምእንቲ ኸይከውን፡ ብጥበብ ዘረባ ኸይግበር፡ ክርስቶስ ወንጌል ክሰብኽ ደኣ እምበር፡ ከጥምቕሲ ኣይለኣኸንን።
18-19ጥበብ ጠቢባን ከጥፍእ እየ፡ ምስትውዓል እቶም ኣስተውዓልቲውን ከፍርስ እየ፡ ዝብል ጽሑፍ እዩ እሞ፡ ቃል መስቀል ነቶም ዝጠፍኡ ዕሽነት እዩ፡ ንኣና ንንድሕን ግና ሓይሊ ኣምላኽ እዩ። 20ጥበበኛ ኣበይ ኣሎ፧ ምሁር ጽሑፋትሲ ኣበይ ኣሎ፧ መርማሪ እዛ ዓለም እዚኣኸ ኣበይ ኣሎ፧ ኣምላኽ ንጥበብ እዛ ዓለም እዚኣዶ ዕሽነት ኣይገበሮን እዩ፧ 21ስለዚ ዓለም ብጥበባ ንኣምላኽ ብጥበብ ኣምላኽ ገይራ ኻብ ዘይፈለጠቶ፡ ኣምላኽ ነቶም ዝኣምኑ ብናይ ስብከት ዕሽነት ገይሩ ከድሕኖም ፈቐደ። 22ኣይሁድ ምልክታት ይልምኑ፡ ጽርኣውያን ድማ ጥበብ ይደልዩ፡ 23ንሕና ግና ነቲ ንኣይሁድን መዓንቀፊ፡ ነህዛብን ዕሽነት ዝዀነ እተሰቕለ ክርስቶስ ንሰብኽ ኣሎና። 24ንሱ ነቶም ጽዉዓት፡ ንኣይሁድ ኰነ፡ ንጽርኣውያን ኰነ፡ ክርስቶስ፡ እቲ ሓይሊ ኣምላኽን ጥበብ ኣምላኽን እዩ። 25ካብ ሰብሲ ዕሽነት ኣምላኽ ይጠብብ፡ ካብ ሰብ ከኣ ድኻም ኣምላኽ ይብርትዕ።
26ኣሕዋተየ፡ ኣብቲ ጽውዓኹም እማ ተመልከቱ ብዙሓት ብስጋ ለባማት፡ ብዙሓት ስልጡናት፡ ብዙሓት ጭዋታት ኣይተጸውዑን። 27ኣምላኽ ግና፡ ነቶም ጠቢባን ምእንቲ ኸሕፍርሲ፡ ንዕሽነት እዛ ዓለም እዚኣ ሓረየ፡ ነቶም ብርቱዓት ምእንቲ ኸሕፍር ከኣ፡ ኣምላኽ ነቲ ድኻም እዛ ዓለም እዚኣ ሓረየ። 28-29ስጋ ዘበለ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ምእንቲ ኸይምካሕውን፡ ኣምላኽ ነቲ፡ ኣነ ገለ እየ፡ ዝብል ከንቱ ምእንቲ ኽገብር፡ ነቲ ብዓለም ሕሱርን ንዑቕን ገለ ዘይኰነን ሓረየ። 30-31ግናኸ እቲ ጽሑፍ፡ ዝምካሕ ብእግዚኣብሄር ይመካሕ፡ ዝብሎ ምእንቲ ኽፍጸም፡ ንስኻትኩም ካብኡ ኣብቲ ኻብ ኣምላኽ ንጥበብን ጽድቅን ምቕዳስን ምድሓንን ዝዀነልና ክርስቶስ የሱስ ኢኹም።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
1ይ ቈረንቶስ ምዕራፍ 2
1-2ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይፈልጥ መደብኩ እሞ፡ ናባኻትኩም ከመጽእ ከሎኹ፡ ምስክር ኣምላኽ ብብሉጽ ዘረባ ወይስ ብጥበብ ክነግረኩም ኣይመጻእኩን። 3ኣነ ኸኣ ብድኻምን ብፍርሃትን ብብዙሕ ምምብድባድን እየ ኣባኻትኩም ዝነበርኩ። 4-5እምነትኩም ብስልጣን ኣምላኽ እምበር፡ ብጥበብ ሰብ ምእንቲ ኸይትስረትሲ፡ ዘረባይን ስብከተይን ድማ ብምርዳእ መንፈስን ስልጣንን እምበር፡ ብዘስድዕ ዘረባ ጥበብ ኣይነበረን።
6-7እምብኣርስ ኣብ ማእከል እቶም እኹላት ጥበብ ንዛረብ ኢና፡ እቲ ኣምላኽ ቅድሚ ዘመናት ንኽብረትና ዘዳለዎ፡ እቲ ናይ ኣምላኽ ሕቡእ ምስጢር ጥበብ ኢና እንዛረብ ዘሎና እምበር፡ ጥበብ እዛ ዓለም እዚኣ ወይስ ናይቶም ዝሓልፉ ገዛእቲ እዛ ዓለም እዚኣ ኣይንዛረብን ኢና። 8ካብ ገዛእቲ እዛ ዓለም እዚኣ ሓደ እኳ ነዚ ጥበብዚ ኣይፈለጦን፡ እንተ ዝፈልጥዎስ፡ ንጐይታ ኽብሪ ኣይምሰቐልዎን ነይሮም። 9ግናኸ ከምቲ ጽሑፍ፡ እቲ ዓይኒ ዘይረኣየቶ እዝኒ ኸኣ ዘይሰምዓቶ ኣብ ልቢ ሰብ ድማ ዘይተሓስበ፡ ኣምላኽ ነቶም ዘፍቅርዎ ኣዳለወሎም፡ ዝብል፡ 10እቲ መንፈስ ግና መዓሙቑ ኣምላኽ እኳ ኸይተረፈ ንዂሉ ይምርምር እዩ እሞ፡ ንኣና ኣምላኽ ብመንፈሱ ገይሩ ገለጸልና። 11እቲ ኣብኡ ዘሎ መንፈስ እንተ ዘይኰይኑስ፡ ኣብ ሰብ ዘሎ ነገር ዝፈልጥከ እንታዋይ ሰብ እዩ፧ ከምኡውን መንፈስ ኣምላኽ እንተ ዘይኰይኑስ፡ ነቲ ኣብ ኣምላኽ ዘሎ ሓደ እኳ ዝፈልጦ የልቦን። 12ንሕና ግና፡ እቲ ብኣምላኽ እተዋህበና ምእንቲ ኽንፈልጥሲ፡ ነቲ ኻብ ኣምላኽ ዝኸውን መንፈስ እምበር፡ መንፈስ ዓለም ኣይተቐበልናን። 13ንሕና ኸኣ መንፈሳዊ ነገር ምስ መንፈሳዊ እናኣሰማማዕና፡ መንፈስ ቅዱስ ብዝምህረሉ ቓል እምበር፡ ጥበብ ሰብ ብዝምህረሉ ቓል ኣይኰንናን እንዛረብ ዘሎና። 14እቲ ስጋዊ ሰብ ነቲ ኣብ መንፈስ ኣምላኽ ዘሎ ኣይቅበሎን፡ ብመንፈስ ዝምርመር ስለ ዝዀነ፡ ንእኡ ዕሽነት እዩ እሞ፡ ከስተውዕሎ ኣይከኣሎን እዩ። 15-16ንእግዚኣብሄር ክምህሮ ኢሉ፡ ሓሳቡ ዝፈለጠኸ እንታዋይ እዩ፧ ንሕና ግና ሓሳብ ክርስቶስ ኣሎና። እምብኣርሲ እቲ መንፈሳዊ ንዂሉ ይምርምር፡ ንሱ ግና ብሓደ እኳ ኣይምርመርን እዩ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
1ይ ቈረንቶስ ምዕራፍ 3
1ኣሕዋተየ፡ ኣነ ኸኣ ከም ንስጋውያን፡ ከም ንቘልዑ ብክርስቶስ እምበር፡ ከም ንመንፈሳውያን ክዛረበኩም ኣይኰነለይን እዩ። 2-3ገና ስጋውያን ስለ ዝዀንኩም፡ ጸባ መገብኩኹም፡ ዕጽም ብልዒ ኣይኰነን። ገና ኣይከኣልኩምዎን፡ ሕጂ እኳ ኣይትኽእልዎን ኢኹም። ቅንኣት ባእስን ካብ ዝህልወኩምሲ፡ ስጋውያን ምዃንኩምዶ ኣይኰነን፧ ከም ባህሊ ሰብዶ ትኸዱ ኣየለኹምን፧ 4እቲ ሓደ፡ ኣነስ ናይ ጳውሎስ እየ፡ ሓደ ኻልእ ከኣ፡ ኣነስባ ናይ ኣጵሎስ እየ፡ ካብ ዝብል፡ ስጋውያን ምዃንኩምዶ ኣይኰነን፧ 5እምብኣርከ፡ ኣጵሎስ እንታይ እዩ፧ ጳውሎስሲ እንታይ እዩ፧ ብኣታቶም ጌርኩም ናብ እምነት ዝበጻሕኩም ኣገልገልቲ እዮም፡ እዚ ድማ እግዚኣብሄር ንነፍሲ ወከፎም ከም ዝሃቦ እዩ። 6ኣነ ተኸልኩ ኣጵሎስ ኣስተየ፡ ኣምላኽ ግና ኣብቈለ። 7እምብኣርሲ እቲ ዘብቁል ኣምላኽ ደኣ እዩ እምበር፡ እቲ ዝተክል ወይስ እቲ ዘስቲ ዝዓብሱ የብሎምን። 8እቲ ዝተክልን እቲ ዘስትን ሓደ እዮም፡ ነፍሲ ወከፎም ከኣ ከከም ጻዕሩ ዓስቡ ክቕበል እዩ። 9ንሕና መዓይይቲ ኣምላኽ ኢና እሞ፡ ንስኻትኩም ግራት ኣምላኽ፡ ህንጻ ኣምላኽ ኢኹም።
10-11ብዘይ እቲ ስሩት መሰረት፡ ንሱ ኸኣ የሱስ ክርስቶስ፡ ካልእ መሰረት ሓደ እኳ ኽስርት ዝኽእል የልቦን እሞ፡ ኣነ ኸምቲ እተዋህበኒ ጸጋ ኣምላኽ ብልሓተኛ ሃናጺ ዀይነ ነቲ መሰረት ሰረትኩ፡ ሓደ ኻልእ ከኣ ኣብ ልዕሊኡ ይሃንጽ። ነፍሲ ወከፍውን ከመይ ገይሩ ኸም ዝሃንጽ ይጠንቀቕ። 12ሓደ እኳ ኣብ ልዕሊ እዛ መሰረት እዚኣ ወርቂ፡ ብሩር፡ ክቡር እምኒ፡ ዕንጨይቲ፡ ሳዕሪ ወይስ ሓሰር እንተ ሰርሐ፡ 13እታ መዓልቲ እቲኣ ብሓዊ ኽትግለጽ እያ እሞ፡ ክትቀልዖ እያ። ግብሪ ነፍሲ ወከፍ ክግሃድ እዩ፡ ንግብሪ ነፍሲ ወከፍ ከኣ ከመይ ምዃኑ እቲ ሓዊ ኽፍትኖ እዩ። 14ሰብ፡ እቲ ኣብ ልዕሊኡ እተሃንጸ ዕዮ እንተ ጸንዓሉ፡ ዓስቢ ክቕበል እዩ። 15እቲ ዕዮኡ እንተ ነደደ ግና፡ ዓስቡ ኽስእን እዩ። ንርእሱ ግና ክድሕን፡ ግናኸ ከምቲ ሓዊ ሓሊፉ ዝደሓነ እዩ።
16ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ምዃንኩምን መንፈስ ኣምላኽ ኣባኻትኩም ሓዲሩ ምህላዉንዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ 17ሓደ እኳ ነታ ቤት መቕደስ ኣምላኽ እንተ ኣማሰነ፡ ኣምላኽ ከማስኖ እዩ። ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ቅድስቲ እያ፡ እዛ ቤት መቕደስ እዚኣውን ንስኻትኩም ኢኹም።
18-20ሓደ እኳ ንርእሱ ኣይጠብራ። ነቶም ጥበበኛታት ብጒርሖም ይሕዞም እዩ፡ ዝብል ጽሑፍ እዩ እሞ፡ ከም ብሓድሽ፡ እግዚኣብሄር ሓሳብ እቶም ጥበበኛታት ከንቱ ምዃኑ ይፈልጦ፡ ዝብል ጽሑፍ ኣሎ። ጥበብ እዛ ዓለም እዚኣ ኣብ ኣምላኽ ዕሽነት እያ እሞ፡ ገለ ኻባኻትኩም ኣብዛ ዓለም እዚኣ ጥበበኛ ኸም ዝዀነ እንተ መሰሎ፡ ጥበበኛ ምእንቲ ክኸውንሲ ዓሻ ይኹን። 21-22ጳውሎስ ወይ ኣጵሎስ፡ ኬፋ ዀነ ዓለም ኰነት፡ ህይወት ኰነት ሞት ኰነ፡ ዘሎ ዀነ ወይ ዝመጽእ፡ ኲሉ ናታትኩም እዩ እሞ፡ ሓደ እኳ ብሰብ ኣይመካሕ። 23ንስኻትኩምሲ ናይ ክርስቶስ ደኣ ኢኹም፡ ክርስቶስውን ናይ ኣምላኽ እዩ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
1ይ ቈረንቶስ ምዕራፍ 4
1ከምኡኸ ሰብ ንኣና ኸም ኣገልገልቲ ክርስቶስን ከም መገብቲ ምስጢር ኣምላኽን ደኣ ይቝጸሩና። 2ምስናይ እዚ ኻብ መገብቲ ነፍሲ ወከፍ እሙን ኰይኑ ክርከብ የድሊ እዩ። 3-4ንኣይሲ ብኣኻትኩም ወይስ ብመዓልቲ ፍርዲ ሰብ እንተ ተፈረድኩ እኳ፡ ግዲ የብለይን። ኣብ ርእሰይ ሓንቲ እኳ ኣይፈልጥን እየ፡ ዝፈርደኒ ግና ኣምላኽ እዩ እምበር፡ በዚ ኣይጸደቕኩን እሞ ንርእሰይ ባዕለይ ኣይፈርዳን እየ። 5ስለዚ እቲ ኣብ ጸልማት እተሓብአ ናብ ብርሃን ዘምጽእ፡ ሓሳባት ልቢ ኸኣ ዝገልጽ ጐይታ ኽሳዕ ዝመጽእ፡ ቅድሚ ጊዚኡ ሓንቲ እኳ ኣይትፍረዱ። ሽዑ ድማ ነፍሲ ወከፍ ነንእዶኡ ኻብ ኣምላኽ ክቕበል እዩ።
6ኣሕዋተየ፡ ንጥቕሚ እቲ ሓደ፡ ንጒድኣት እቲ ኻልእ ኢልኩም ከይትንፍሑ፡ ክንየው እቲ ጽሑፍ ከይትሓስቡ፡ ብኣና ምእንቲ ኽትምሃሩ፡ እዚ ብዛዕባኹም ኣብ ርእሰይን ኣብ ኣጵሎስን መሲለዮ ኣሎኹ። 7ካብ ካልኦት ዘብለጸካ መን እዩ፧ ዘይተቐበልካዮኸ እንታይ ኣሎካ፧ ተቐቢልካ ኻብ እትኸውን ግና፡ ስለምንታይ ከም ዘይተቐበልካ ዄንካ እትኽበር፧ 8ድሮ ጸገብኩም፡ ድሮ ሃብተምኩም፡ ብጀካና ነገስኩም። ንሕናውን ምሳኻትኩም፡ ምእንቲ ኽንነግስሲ፡ ወሸለ ምነገስኩም። 9ኣምላኽ ንኣና ሃዋርያት፡ ድሕሪ ዂላቶም ኴንና፡ ከምቶም ሞት እተፈርዶም ከም ዝገበረና፡ ይመስለኒ። ስለዚ ንዓለምን ንመላእኽትን ንሰብን ትርኢት መስሓቒ ዄንና ኣሎና። 10ንሕና ስለ ክርስቶስ ዓያሱ ኢና፡ ንስኻትኩም ግና ብክርስቶስ ጥበበኛታት ኢኹም፡ ንሕና ሕማቓት፡ ንስኻትኩም ግና ሓያላት፡ ንስኻትኩም ክቡራት፡ ንሕና ግና ሕሱራት ኢና። 11ክሳዕ ሕጂ ንጠምን ንጸምእን ንዓርቕን ንጽፋዕን ኣሎና፡ ማሕደር የብልናን፡ 12ብገዛእ ኣእዳውና እናዓየና ድማ ንጽዕር ኣሎና። እናጸረፉና ንምርቕ፡ እናሰጐጉና ንዕገስ፡ 13እናተሓሜና ንምዕድ ኣሎና። ክሳዕ ሕጂ ኸም ጐሓፍ ዓለምን ከም ናይ ኲላቶም ጐዱፍን ኴንና ኣሎና።
14-15ብክርስቶስ ኣእላፋት መዕበይቲ እኳ እንተ ኣለዉኹም፡ ኣነ ብክርስቶስ የሱስ ብወንጌል ወሊደኩም እየ እሞ፡ ብዙሓት ኣቦታትሲ የብልኩምን። እዚ ዝጽሕፈልኩም ዘሎኹ፡ ከም ፍቁራት ደቀይ ገይረ ኽምዕደኩም እየ እምበር፡ ከሕፍረትኩም ኢለ ኣይኰንኩን። 16ስለዚ፡ ሰዓብተይ ኩኑ፡ ኢለ እምዕደኩም ኣሎኹ። 17በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኣብ ኲሉ ስፍራ ፍቕዳ ማሕበር ከመይ ገይረ ኸም ዝምህር፡ መገደይ ብክርስቶስ የሱስ ምእንቲ ከዘክረኩም፡ እቲ ብጐይታ ፍቁርን እሙንን ወደይ ጢሞቴዎስ ሰዲደልኩም ኣሎኹ። 18ሓያሎ ግና፡ ኣነ ናባኻትኩም ዘይመጽእ መሲልዎም፡ እተነፍሑ ኣለዉ። 19-20መንግስቲ ኣምላኽ ብሓይሊ እምበር፡ ብዘረባ ኣይኰነትን ዘላ እሞ፡ ጐይታ እንተ ፈቐዶስ፡ ቀልጢፈ ናባኻትኩም ክመጽእ እየ፡ ሽዑ ሓይሊ እቶም ንፉሓት ክፈልጥ እየ እምበር፡ ቃሎም ኣይኰነን። 21ብበትሪዶ ወይስ ብፍቕርን ብመንፈስ ለውሃትን ክመጻኩም፧ እንታይ ትደልዩ፧
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
1ይ ቈረንቶስ ምዕራፍ 5
1ምንዝርና ብሱሩ፡ ከምኡ ዘመሰለ ምንዝርናስ ኣብቶም ኣህዛብ እኳ ዘልቦ፡ ማለት፡ ሓደ ኻባኻትኩም ነታ ሰበይቲ ኣቦኡ ኸም ዘእተወ፡ ይውረየኩም ኣሎ። 2ምስናይዚ ኸኣ ተነፊሕኩም ኣሎኹም እሞ፡ እቲ እዚ ግብርዚ ዝገበረ ኻብ ማእከልኩም ምእንቲ ክርሕቕ ኢልኩም፡ ከቶ ኣይጒሄኹምን። 3-5ኣነ ግና ብስጋይ ርሑቕ ክነሰይ፡ ብመንፈሰይ ምሳኻትኩም እየ፡ ንስኻትኩምን መንፈሰይን ብስም ጐይታና የሱስ ተኣኪብና ኸሎና፡ ብሓይሊ ጐይታና የሱስ እዚ ኸምዚ ዝገበረ፡ መንፈሱ በታ መዓልቲ ጐይታና የሱስ ምእንቲ ኽድሕንሲ፡ ንጥፍኣት ስጋኡ ንሰይጣን ክውሃብ፡ ከም ምሳኻትኩም ኰይነ ድሮ ፈሪደ ኣሎኹ። 6ሓበንኩም ጽቡቕ ኣይኰነን። ቅሩብ ማይ ብሑቝ ንብዘሎ እቲ ብሑቝ ከም ዘብኲዖዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ 7ገንሸል ፋስጋና፡ ማለት ክርስቶስ፡ ተሰዊኡ እዩ እሞ፡ ከምቲ ዘይምጹጻት ዝዀንኩም፡ ሓድሽ ብሑቝ ምእንቲ ኽትኰኑ፡ ነቲ ኣረጊት ማይ ብሑቝ ኣጽሪኹም ኣውጽእዎ። 8ስለዚ ብናይ ገርህነትን ሓቅን ብዘይመጸጸ እንጌራ በዓል ነብዕል እምበር፡ በቲ ኣረጊት ማይ ብሑቝ ወይስ ብማይ ብሑቝ እከይን ሕሰምን ኣይኰነን።
9ምስ ኣመንዝራታት ኣይትጸምበሩ ኢለ ኣብታ ደብዳበይ ጽሒፈልኩም ኣሎኹ። 10ግናኸ ምስ ኣመንዝራታት እዛ ዓለም እዚኣ ወይስ ምስ ስሱዓትን ዘረፍትን ወይስ ምስ መምለኽቲ ጣኦት ኢለ ግዳ ኣይኰንኩን ዝጸሓፍኩ፡ እንተ ዘይኰነስ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኽትወጹ ምተገብኣኩም ነይሩ። 11ሕጂ ግና ምስ ሓደ ሓው ዝብሃል እሞ ኣመንዝራ፡ ወይስ ስሱዕ፡ ወይስ መምለኽ ጣኦት፡ ወይስ ተጻራፊ፡ ወይስ ሰካር፡ ወይስ ዘራፊ እንተ ዀይኑ፡ ምስኡ ኸይትጽምበሩ፡ ምስ እዚ ኸምዚ ዝበለ ከቶ ኸይትበልዑ፡ ጽሒፈልኩም ኣሎኹ። 12ነቶም ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ምፍራደይሲ እንታይ ገዲሱኒ እዩ፧ ነቶም ኣብ ውሽጢ ዘለዉ እትፈርዱ ግዳ ንስኻትኩምዶ ኣይኰንኩምን፧ 13ነቶም ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ግና ኣምላኽ ክፈርዶም እዩ። ነቲ እኩይ ካባኻትኩም ኣውጽእዎ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
1ይ ቈረንቶስ ምዕራፍ 6
1ሓደ ኻባኻትኩም ምስ ብጻዩ ነገር እንተ ኣለዎ፡ ኣብ ቅድሚ እቶም ቅዱሳን ዘይኰነስ፡ ኣብ ቅድሚ እቶም ዓመጽቲዶ ኽፋራረድ ይደፍር እዩ፧ 2ወይስ እቶም ቅዱሳን ንዓለም ከም ዚፈርድዋዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ዓለም ብኣኻትኩም ካብ እትፍረድ ደኣ፡ ነቲ ናእሽቱ ነገር ፈረዲ ንምዃንዶ ኣይትበቕዑን ኢኹም፧ 3ንመላእኽቲ ኸም እንፈርዶምዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ከመይ ግዳ ነቲ ነገር እዛ ዓለም እዚኣ ዘይንፈርዶ፧ 4እምብኣርከ ንነገር እዛ ዓለም እዚኣ ዝፍረድ እንተ ኣሎኩም፡ ነቶም ንዑቓት ኣብ ማሕበርዶ ፈረዲ ትገብርዎም ኢኹም፧ 5-6ምእንቲ ኸሕፍረኩም እየ እዚ ዝብል ዘሎኹ፡ ሓው ምስ ሓው ይፋረድ ኣሎ፡ እዚ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እቶም ዘይኣምኑ፡ ከምዚዶ ኣብ መንጎ እቶም ኣሕዋት ክፈርድ ዝኽእል ለባም ሓደ እኳ የብልኩምን፧ 7ብርግጽ ኣብ ንሓድሕድኩም መፋራረዲ ምህላውኩም ብሱሩ ጒድለትኩም እዩ። ከመይ ግዳ ዘይትዕመጹ፧ ከመይከ ዘይትግፍዑ፧ 8ምሓልፎ ንስኻትኩም ትዕምጹን ትገፍዑን ኣሎኹም፡ እዚ ኸኣ ነቶም ኣሕዋት። 9ዓመጽቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ኣይትስሓቱ፡ ኣመንዝራታት፡ ወይ መምለኽቲ ጣኦት፡ ዘመውቲ፡ ወይ ሕንቁቓት፡ ወይ ግብሪ ሶዶም ዚገብሩ፡ 10ሰረቕቲ፡ ወይ ስሱዓት፡ ወይ ሰካራት፡ ወይ ተጻረፍቲ፡ ወይ ዘረፍቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣይክወርስዋን እዮም። 11ገሌኹም ከኣ ከማታቶም ኔርኩም፡ ግናኸ ብስም ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ብመንፈስ ኣምላኽን ተሓጺብኩምን ተቐዲስኩምን ጸዲቕኩምን ኢኹም።
12ኲሉ ተፈቒዱለይ ኣሎ፡ ግናኸ ኲሉ ኣይጠቅምን እዩ። ኲሉ ተፈቒዱለይ ኣሎ፡ ኣነ ግና ሓደ ነገር እኳ ክመልከኒ ኣይሓድጎን እየ። 13ብልዒ ንኸብዲ፡ ከብዲ ኸኣ ንብልዒ እዩ፡ ኣምላኽ ግና ነዝን ነትን ክጥፍኦም እዩ። ስጋ ንጐይታ፡ ጐይታውን ንስጋ እዩ እምበር፡ ስጋስ ንምንዝርና ኣይኰነን። 14ኣምላኽ ድማ ከምቲ ንጐይታና ዘተንስኦ፡ ንኣናውን ብሓይሉ ኸተንስኣና እዩ። 15እቲ ስጋኹም ኣካል ክርስቶስ ምዃኑዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ እምብኣርስኸ ንኣካል ክርስቶስ ወሲደዶ ኣካል ኣመንዝራ ኽገብሮ እየ፧ ያእ ኣይፋለይን። 16እቶም ክልተ ሓደ ስጋ ክዀኑ እዮም፡ ብሁል እዩ እሞ፡ ምስ ኣመንዝራ ዝለገበ ምስኣ ሓደ ስጋ ምዃኑዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ 17እቲ ምስ ጐይታ ዚለግብ ግና ምስኡ ሓደ መንፈስ እዩ። 18ካብ ምንዝርና ህደሙ። ሰብ ዝገብሮ ዘበለ ሓጢኣት ካብ ስጋኡ ብወጻኢ እዩ፡ ዝንምዝር ግና ኣብ ገዛእ ስጋኡ እዩ ሓጢኣት ዝገብር። 19-20ብዋጋ ተዓዲግኩም ኢኹም እሞ፡ ስጋኹም ቤተ መቕደስ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ፡ ካብ ኣምላኽ እተቐበልኩምዎ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ፡ ናይ ርእስኹምውን ከም ዘይኰንኩምዶ፡ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ስለዚ ብስጋኹም ንኣምላኽ ኣኽብርዎ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
1ይ ቈረንቶስ ምዕራፍ 7
1ብዛዕባ እቲ ዝጸሓፍኩምለይ ግና ከምዚ እዩ፡ ሰብኣይ ኣብ ሰበይቲ እንተ ዘይቀረበ ጽቡቕ እዩ። 2ስለ ኻብ ምንዝርና ምርሓቕ ግና ነፍሲ ወከፍ ሰብኣይ ገዛእ ሰበይቱ ትሃልዎ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰበይቲውን ገዛእ ሰብኣያ ይሃልዋ። 3ሰብኣይ ንሰበይቱ ዝግባኣ ይግበረላ፡ ከምኡውን ሰበይቲ ንሰብኣያ ትግበረሉ። 4ሰበይቲ፡ ሰብኣያ እምበር፡ ኣብ ገዛእ ስጋኣ ኣይትመልኽን እያ፡ ከምኡ ኸኣ ሰብኣይ፡ ሰበይቱ ደኣ እምበር፡ ኣብ ገዛእ ስጋኡ ኣይመልኽን እዩ። 5ንጸሎት ግዜ ምእንቲ ኽትረኽቡ፡ ንጊዚኡ ብምስምማዕ ክልቴኹም እምበር፡ እቲ ሓደ ኻብቲ ሓደ ኣይፈለ። ብምኽንያት እቲ ንነፍስኹም ዘይምምላኽኩም ሰይጣን ምእንቲ ኸይፍትነኩም ከኣ፡ ከም ብሓድሽ ተራኸቡ። 6እዚ ግና ከም ፍቓድ እብል ኣሎኹ እምበር፡ ትእዛዝ ኣይኰነን። 7ኲሉ ሰብ ከምዚ ኸማይ ክኸውን ምፈቶኹ ነይረ፡ ግናኸ እቲ ሓደ ኸምዚ እቲ ሓደውን ከምቲ ነፍሲ ወከፍ ካብ ኣምላኽ ናይ ጸጋ ወውህበቱ ኣለዎ።
8ንዘይተመርዓዉን ንሓያማትን ግና፡ ከምዚ ኸማይ እንተ ነበሩ፡ ጽቡቕ እዩ፡ እብል ኣሎኹ። 9ነፍሶም ክመልኩ እንተ ዘይተኻእሎም ግና፡ ብፍትወት ካብ ምንዳድሲ ምምርዓው ይሓይሽ እሞ፡ ይመርዓዉ። 10-11ነቶም እተመርዓዉ ግና፡ ዝእዝዝ ዘሎ ጐይታ እዩ እምበር፡ ኣነ ኣይኰንኩን፡ እታ ሰበይቲ ኻብ ሰብኣያ ኣይትፈታሕ፡እንተ ተፈትሐት ከኣ፡ በኪ ትንበር ወይስ ምስ ሰብኣያ ትተዓረቕ፡ሰብኣይውን ሰበይቱ ኣይፍታሕ፡ ኢለ እእዝዝ ኣሎኹ። 12-14ነቶም ካልኦት ድማ ኣነ እብል ኣሎኹ፡ ጐይታ ኣይኰነን፡ እቲ ዘይኣማኒ ሰብኣይ በታ ሰበይቱ ተቐዲሱ እዩ፡ እታ ዘይኣማኒት ሰበይቲውን በቲ ሓው ተቐዲሳ እያ እሞ፡ ከምኡ እንተ ዘይከውንሲ፡ ውሉድኩም ርኹሳት ምዀኑ ነይሮም፡ ሕጂ ግና ቅዱሳን እዮም። ሓደ ሓው ዘይኣማኒት ሰበይቲ እንተ ኣላቶ፡ ንሳ ድማ ምስኡ ኽትነብር እንተ ፈተወት፡ ኣይፍትሓያ፡ ሰበይቲውን ዘይኣማኒ ሰብኣይ እንተ ኣለዋ፡ ንሱ ኸኣ ምስኣ ኽነብር እንተ ፈተወ፡ ነቲ ሰብኣያ ኣይትፍትሓዮ። 15-16ኣቲ ሰበይቲ፡ ንሰብኣይኪ እንተ ኣድሓንክዮ፡ እንታይ ትፈልጢ፧ ወይስ ኣታ ሰብኣይ፡ ንሰበይትኻ እንተ ኣድሓንካያ፡ እንታይ ትፈልጥ፧ እቲ ዘይኣማኒ እንተ ተፈልየ ግና፡ ይፈለ። ሓው ወይስ ሓብቲ በዚ ኸምዚ ዘመሰለ ኣብ ትሕቲ ባርነት ኣይኰኑን ዘለዉ፡ ኣምላኽ ግና ብሰላም ክንነብር ጸዊዑና ኣሎ።
17ብዝተረፈስ፡ ነፍሲ ወከፍ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝዓደሎ፡ ነፍሲ ወከፍውን ከምቲ ኣምላኽ ዝጸውዖ ዀይኑ ይመላለስ፡ ንዂላተን ማሕበራት ከምኡ እየ ዝሰርዕ ዘሎኹ።
18ግዙር ክነሱ እተጸውዐዶ ኣሎ፧ ዘይግዙር ምዃኑ ኣይድለ። ዘይግዙር ክንሱ እተጸውዐኸ ኣሎዶ፧ ኣይገዘር። 19ምሕላው ትእዛዛት ኣምላኽ እዩ ዝጠቅም እምበር፡ ግዝረት ፍረ የብሉን፡ ዘይግዝረትውን ፍረ የብሉን። 20ነፍሲ ወከፍ በቲ እተጸዋዓሉ ጽውዓ ይንበር። 21ባርያ ኽነስኻ ዲኻ እተጸዋዕካ፧ ኣይትጒሀ። ሓራ ኽትወጽእ እንተ ዀነልካ ግና፡ ከምኡ ግበር። 22እቲ ባርያ ኽነሱ እግዚኣብሄር ዝጸውዖ፡ ናይ እግዚኣብሄር ውጹእ ሓራ እዩ። ከምኡውን እቲ ሓራ ኽነሱ እተጸውዐ፡ ባርያ ክርስቶስ እዩ። 23ብዋጋ ተዓዲግኩም ኢኹም፡ ባሮት ሰብ ኣይትኹኑ። 24ኣሕዋተየ፡ ነፍሲ ወከፍ በቲ እተጸውዖ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብእኡ ይንበር።
25ብናይ ደናግል ግና፡ እሙን ክኸውን ካብ እግዚኣብሄር ምሕረት ከም እተቐበልኩ፡ ሓሳባይ እብል ኣሎኹ እምበር፡ ካብ እግዚኣብሄር ትእዛዝ የብለይን። 26እምብኣርሲ ንሰብ ብምኽንያት እቲ ሎሚ ዘሎ ጭንቀት ከምታ ዘለዋ ዀይኑ ኽነብር ጽቡቕ ከም ዝዀነ፡ ይመስለኒ። 27ብሰበይትኻዶ እሱር ኢኻ፧ ፍትሕ ኣይትድለ። ብሰበይትኻዶ ኣይተኣሰርካን፧ ሰበይቲ ኣይትድለ። 28ግናኸ እንተ ተመርዖኻ፡ ሓጢኣት ኣይገበርካን፡ ድንግልውን እንተ ተመርዓወት፡ ሓጢኣት ኣይገበረትን። እዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ ግና ብስጋ መከራ ይረኽቡ እዮም እሞ፡ ኣነ እንሕፈኩም ኣሎኹ። 29ኣሕዋተየ፡ እዚ ግና እነግር ኣሎኹ፡ እቲ ዘመን ሓጺር እዩ፡ እቶም ኣንስቲ ዘለዋኦም ድሕርዚ ኸም ዘይብሎም ይኹኑ። 30እቶም ዝበኽዩ ኸም ዘይበኽዩ፡ እቶም ዝሕጐሱ ኸኣ ከም ዘይሕጐሱ፡ እቶም ዝዕድጉውን ከም ዘየጥረዩ ይኹኑ። 31ንብረት እዛ ዓለም እዚኣ ሓላፊ እዩ እሞ፡ እቶም በዛ ዓለም እዚኣ ዝጥቀሙ ኸም ዘይተጠቕሙ ይኹኑ። 32ኣነ ግና ብዘይ ሓልዮ ኽትኰኑ እየ ዝፈቱ። እቲ ዘይተመርዓወ ኸመይ ገይሩ ንጐይታ ኸም ዘሐጒሶ ብናይ ጐይታ እዩ ዝሓሊ። 33እቲ እተመርዓወ ግና ንሰበይቱ ኸመይ ገይሩ ኸም ዘሐጒሳ ብናይ እዛ ዓለም እዚኣ እዩ ዝሓሊ። 34ናይ ምርዕውቲ ሰበይትን ናይ ድንግልን ድማ በበይኑ እዩ። እታ ዘይተመርዓወት፡ ስጋኣን መንፈሳን ምእንቲ ኪቕደስ ኢላ፡ ብናይ ጐይታ እያ እትሓሊ፡ እታ ምርዕውቲ ግና፡ ከመይ ገይራ ንሰብኣያ ኸም እተሐጒሶ፡ ብናይ እዛ ዓለም እዚኣ እያ እትሓሊ። 35ብተገብአ ነገርን ብጽንዓትን ከይተናቓነቕኩም ብጐይታ ኽትጸንዑ እምበር፡ መፈንጠራ ምእንቲ ኽገብረልኩም ኣይኰንኩን፡ እዚ ንረብሓ ርእስኹም እዩ ዝብሎ ዘሎኹ። 36ግናኸ ሓደ በታ ድንግል ጓሉ ዘሕፍር ዘለዎ እንተ መሰሎ፡ ኣዝያ ኸኣ ብጽሕቲ እንተ ዀነት፡ ከምዚ ክኸውን ድማ ዝግባእ እንተ ዀይኑ፡ ዝደለየ ይግበር፡ ሓጢኣት የብሉን፡ ንሰብኣይ ይሃባ። 37ግናኸ እቲ ብልቡ ወዲእዎ ዝጸንዐ፡ ግዲ ዘይኰኖ፡ ኣብ ገዛእ ፍቓዱ ምልኪ ዘለዎ፡ እታ ጓሉ ብድንግልናኣ ኽትነብር ብልቡ ዝቘረጾ፡ ጽቡቕ ይገብር። 38እምብኣርሲ እቲ ንጓሉ ንሰብኣይ ዝህብ ጽቡቕ ይገብር፡ እቲ ዘይህብ ከኣ ዝሓይሽ ይገብር። 39ሰበይቲ እቲ ሰብኣይ ብህይወቱ ኽሳዕ ዘሎ ዘመን፡ እስርቲ እያ። ሰብኣይ እንተ ሞተ ግና፡ ብእግዚኣብሄር ጥራይ ደኣ ይኹን እምበር፡ ኣብ ዝደለየቶ ኽትምርዖ ሓራ እያ። 40ከም ሓሳበይ ግና፡ ከምቲ ዘላቶ ዀይና እንተ ትነብር፡ ኣዝያ ብጽእቲ ምዀነት፡ ኣነውን መንፈስ ኣምላኽ ከም ዘሎኒ ይመስለኒ ኣሎ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
1ይ ቈረንቶስ ምዕራፍ 8
1ብዛዕባ ንጣኦታት እተሰውአ ግና ኲላትና ፍልጠት ከም ዘሎና፡ ንፈልጥ ኢና። ፍልጠት ይነፍሕ፡ ፍቕሪ ግና ይሃንጽ። 2ሓደ ገለ ኸም ዝፈልጥ ዝመስሎ እንተሎ፡ ነቲ ዝፈልጦ ገና ኸምቲ ዝግብኦ ገይሩ ኣይፈልጦን እዩ። 3ንኣምላኽ ዘፍቅሮ እንተሎ ግና፡ ንሱ ብእኡ ፍሉጥ እዩ። 4ደጊም ብዛዕባ እቲ ንጣኦታት እተሰውአ ምብላዕ፡ ጣኦት ኣብ ዓለም ግዛዕ ከም ዘይኰነን ብዘይ እቲ ሓደ በይኑ ኸኣ ካልእ ኣምላኽ ከም ዘየልቦን፡ ንፈልጥ ኢና። 5ኣብ ሰማይ ወይስ ኣብ ምድሪ ኣማልኽቲ ዝብሃሉ እንተለዉስ፡ከምቲ ብዙሓት ኣማልኽትን ብዙሓት ጐይተትን ዘለዉ፡ 6ንኣናስ ኲሉ ኻብኡ ዝኸውን ንሕናውን ንእኡ እንኸውን ሓደ ኣምላኽ ጥራይ፡ ኣቦ፡ ኣሎና፡ ኲሉ ብእኡ ዝኸውን ንሕና ኸኣ ብእኡ እንኸውን ሓደ ጐይታውን፡ የሱስ ክርስቶስ፡ ኣሎና። 7እዚ ፍልጠት እዚ ግና ኣብ ኲሉ ሰብ ኣይርከብን እዩ። ሓያሎ ነቲ ጣኦት ክሳዕ ሎሚ ልማድ ገይሮምዎ፡ ንጣኦት ከም እተሰውአ ገይሮም እዮም ዝበልዑ ዘለዉ እሞ፡ ሕሊናኦም ድኹም ኰይኑስ ይረክስ። 8ብልዒ ግና ኣብ ኣምላኽ ኣየብጽሓናን እዩ፡ እንተ በላዕና፡ ኣይንውስኽ፡ እንተ ዘይበላዕናውን ኣይንንክን ኢና። 9ግናኸ እቲ ሓርነትኩምሲ ነቶም ድኹማት መዓንቀፊ ኸይኰኖም፡ ተጠንቀቑ። 10ሓደ ሰብ ንኣኻ፡ ፍልጠት ዘሎካ፡ ኣብ ቤት ጣኦት ተቐሚጥካ እንተ ረኣየካ፡ እቲ ድኹም ነቲ ንጣኦት እተሰውአ ንምብላዕዶ ሕሉናኡ ኣይኪደፍርን እዩ፧ 11ከምዚ እቲ ምእንታኡ ክርስቶስ ዝሞተሉ ድኹም ሓው ብሰሪ ፍልጠትካ ይጠፍእ ኣሎ። 12ከምዚኸስ ነቶም ኣሕዋት እናበደልኩም፡ ነቲ ድኹም ሕሊናኦምውን እናኣቝሰልኩም፡ ንክርስቶስ ትብድልዎ ኣሎኹም። 13ስለዚ ኸኣ እቲ ብልዒ ንሓወይ ዝዕንቅፎ እንተ ዀይኑስ፡ ንሓወይ ምእንቲ ኸየዐንቅፎ፡ ንሓዋሩ ከቶ ስጋ ኣይክበልዕን እየ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
1ይ ቈረንቶስ ምዕራፍ 9
1ኣይሓራን ድየ፧ ኣይሃዋርያን ድየ፧ ንጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኣይርኤኽዎን ድየ፧ ንስኻትኩምሲ ብጐይታዶ ኣይዕዮይን ኢኹም፧ 2ማሕተም ሃዋርያነተይ ብጐይታ ንስኻትኩም ኢኹም እሞ፡ ንኻልኦት እኳ ሃዋርያ እንተ ዘይኰንኩ፡ ንኣኻትኩምሲ ሃዋርያኹም እየ። 3ምምጽራየይ ነቶም ዝምርምሩኒ እዚ እዩ፡ 4ክንበልዕን ክንሰትንዶ መሰል የብልናን ኢና፧ 5ከምቶም ካልኦት ሃዋርያትን ኣሕዋት ጐይታናን ኬፋን ዝገብርዎ፡ ብእምነት ሓብትና ዝዀነት ሰበይቲ ምሳና ኸነዝውርዶ መሰል የብልናን ኢና፧ 6ወይስ ኣነን በርናባስን ጥራይ ዲና ዕዮ ኽንሓድግ መሰል ዘይብልና፧ 7ኣየናይ ዓቀይታይ እዩ ገዛእ ገንዘቡ እናተመገበ ዝኽተል፧ ወይኒ ተኺሉስ ፍሪኡ ዘይበልዕከ መን እዩ፧ ወይስ እናጓሰየ ኻብተን ዝጓስየን መጓሰ ጸባ ዘይሰቲ መን እዩ፧ 8እዚ ኸም ኣዛራርባ ሰብዶ እየ ዝዛረብ ዘሎኹ፧ እቲ ሕጊውንዶ ኸምኡ ኣይብልን እዩ፧ 9ኣፍ እቲ ዘኽይድ ብዕራይ ኣይትእሰር፡ ዝብል ኣብ ሕጊ ሙሴ ጽሑፍ ኣሎ እሞ፡ ኣምላኽዶ ብዛዕባ ኣብዑር ሓልዩ እዩ፧ 10ወይስ ብሱሩ ምእንታናዶ ኣይኰነን ዝብሎ ዘሎ፧ እቲ ዝሓርስ ብተስፋ ኽሓርስ፡ እቲ ዘኽይድ ከኣ ግዲኡ ኽረክብ ብተስፋ ከኽይድ ዝግብኦ ስለ ዝዀነ፡ ምእንታና እዩ እዚ ተጽሒፉ ዘሎ። 11ንሕና ንኣኻትኩም እቲ ናይ መንፈስ ካብ እንዘርኣልኩምከ፡ ነቲ ናይ ስጋኹም እንተ ዓጸድናዮዶ በዚሑና እዩ፧ 12ካልኦት ካብዚ መሰል እዚ ኣባኻትኩም ተማቐልቲ ኻብ ዝዀኑስ፡ ንሕናዶ ግዳ ዝዓዝዝ ኣየሎናን፧ ንሕና ግና ንወንጌል ክርስቶስ መዕገቲ ምእንቲ ኸይንገብርሲ፡ ንዂሉ ንዕገስ እምበር፡ ነዚ መሰል እዚ ኣይወሰድናዮን፡ 13እቶም ቅዱስ ኣገልግሎት ዘገልግሉ ኻብቲ ናይ ቤተ መቕደስ ከም ዝምገቡ፡ እቶም ኣብ መሰውኢ ዘገልግሉውን ምስቲ መሰውኢ ኸም ዝካፈሉዶ፡ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ 14ከምኡ ድማ ጐይታ ነቶም ወንጌል ዝሰብኩ ብወንጌል ክምገቡ ሰሪዑሎም ኣሎ። 15ኣነ ግና ካብ ከምዚ ዘመሰለ ሓንቲ እኳ ኣይወሰድኩን፡ ከምኡ ምእንቲ ክዀነለይ ኢለውን ኣይኰንኩን እዚ ዝጸሓፍኩ። ነቲ ትምክሕተይ ሓደ ኸንቱ ኻብ ዝገብሮስ ሙማት ምሓሸኒ ነይሩ። 16ኣነ ወንጌል እንተ ሰበኽኩ፡ ብግዲ በጺሑኒ እዩ እሞ፡ ዝምክሓሉ የብለይን። ወንጌል እንተ ዘይሰበኽኩ ግና ወይለይ። 17እዚ ፈትየ እንተ ገበርክዎስ፡ ዓስቢ ኣሎኒ። ከይፈቶኹ እንተ ገበርክዎ ግና፡ እዚ መጋቢነት እዚ ብዝዀነ ይኹን ሕድሪ ተውሂቡኒ እዩ። 18እምብኣርሲ ዓስበይ ደኣ እንታይ እዩ፧ ወንጌል እናሰበኽኩስ፡ እቲ ብወንጌል ዘሎኒ መሰል ከይወሰድኩ፡ ወንጌል ብኸምኡ እንተ ነገርኩ እዩ።
19ካብ ኲሉ ሓራ ኽነሰይ፡ ኣነ ብዙሓት ምእንቲ ኽረብሑ፡ ንርእሰይ ባርያ ዂላቶም ገበርክዋ። 20እቶም ኣይሁድ ምእንቲ ኽረብሑ፡ ምስ ኣይሁድ ከም ኣይሁዳዊ ዀንኩ። እቶም ትሕቲ ሕጊ ዘለዉ ምእንቲ ኽረብሑ ከኣ፡ ምስቶም ትሕቲ ሕጊ ዘለዉባዕለይ እኳ ትሕቲ ሕጊ ዘይኰንኩ ኽነሰይ፡ ከምቲ ትሕቲ ሕጊ ዘሎ ዀንኩ። 21እቶም ሕጊ ዘይብሎም — ብሕጊ ክርስቶስ እምበር፡ ብዘይ ሕጊ ኣምላኽ ዘይኰንኩ ኽነሰይ፡ — ከምቶም ሕጊ ዘይብሎም ኰንኩ። 22ኣነ እቶም ድኹማት ምእንቲ ኽረብሑ ድማ። ምስቶም ድኹማት ድኹም ኰንኩ። ብዂሉ መገዲ ንገሊኦም ምእንቲ ኸድሕን፡ ንዂላቶም ኲሉ ዀንኩ። 23እዚ ዂሉ ምእንቲ ወንጌል፡ ንርእሰይውን ካብኡ ኽካፈል ኢለ እየ ዝገበሮ ዘሎኹ።
24ኣብቲ ስፍራ ቕድድም ዝቃዳደሙኸ ዂላቶም ከም ዝጐዩ፡ ነታ ዓስቢ ዓወት ግና ሓደ ኸም ዝወስዳዶ፡ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ንስኻትኩም ምእንቲ ኽትረኽብዋ፡ ከምኡ ጒየዩ። 25እቲ ዝቃለስ ዘበለ ብዂሉ ነገር መጢኑ ነፍሱ ይገትእ እዩ፡ እዚኣቶም ነቲ ሓላፊ ኣኽሊል ምእንቲ ክቕበሉ እዮም፡ ንሕና ግና ነቲ ዘይሓልፍ። 26ስለዚ ኣነ እጐዪ ኣሎኹ፡ ግናኸ ከምቲ ንዘይፍሉጥ ዝጐዪ ኣይኰንኩን፡ እምክት ኣሎኹ፡ ከምቲ ንንፋስ ዝወቅዕ ግና ኣይኰንኩን። 27ንኻልኦት እናሰበኽኩ፡ ንርእሰይ ድርቡይ ምእንቲ ኸይከውን፡ ንስጋይ ኤሰቅዮን አግዝኦን ኣሎኹ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
1ይ ቈረንቶስ ምዕራፍ 10
1ኣሕዋተየ፡ ኵላቶም ኣቦታትና ትሕቲ ደበና ኸም ዝነበሩ፡ ኲላቶምውን ባሕሪ ኸም እተሳገሩ፡ ዘይትፈልጡ ኽትኰኑ ኣይፈቱን እየ። 2ኲላቶም ድማ ብደበናን ብባሕርን ናብ ሙሴ ተጠምቁ። 3ኲላቶምውን እቲ ሓደ መንፈሳዊ ምግቢ በልዑ፡ 4ኲላቶምውን እቲ ሓደ መንፈሳዊ መስተ ሰተዩ። ካብቲ ዝስዕቦም ዝነበረ መንፈሳዊ ኸውሒ ሰትዮም እዮም እሞ፡ እቲ ኸውሒ እቲ ኸም ክርስቶስ እዩ። 5ካባታቶም እቶም ዝበዝሑ ግና ንኣምላኽ ባህ ኣየበልዎን፡ ስለዚ ኣብ በረኻ ተወድኡ። 6እዚ ኸኣ፡ ከምቲ ንሳቶም እተመነይዎ ንሕና ነቲ እከይ ምእንቲ ኸይንምነ፡ መለበሚ ዀነልና። 7እምብኣርከ፡ እቲ ህዝቢ ኽበልዕን ክሰትን ተቐመጠ ኽሰሕቕውን ተንስኤ፡ ዝብል ከም እተጻሕፈ፡ ከምቶም ገሊኣቶም መምለኽቲ ጣኦት ኣይትኹኑ። 8ከምቲ ገሊኣቶም ዝመንዘሩ እሞ ብሓንቲ መዓልቲ ዕስራን ሰለስተን ሽሕ ዝወደቑ፡ ኣይንመንዝር። 9ከምቲ ገሊኣቶም ዝፈተንዎ እሞ በትማን ዝጠፍኡ፡ ንክርስቶስ ኣይንፈትኖ። 10ከምቲ ገሊኣቶም ዘዕዘምዘሙ እሞ እቲ መጥፍኢ ዘጥፍኦም፡ ኣይነዕዘምዝም። 11እዚ ዂሉ መለበሚ ክኸውን እዩ ዝበጽሖም፡ ንኣና እቲ መወዳእታ ዘመናት ንዘርከበናውን ንተግሳጽ ክዀነና እዩ እተጻሕፈ። 12ስለዚ እቲ ደው ኢሉ ዘሎ ዝመስሎ፡ ከይወድቕ ይጠንቀቕ። 13ሰብ ክጾሮ ዘይኽእል ፈተና ኣይበጽሓኩምን ። ኣምላኽ እሙን እዩ እሞ፡ ምስቲ ፈተናኹም ምጽዋሩ ምእንቲ ኽትክእሉስ፡ መውጽኢ ገይሩልኩም ኣሎ፡ ካብ ዓቕምኹም ንንየው ክትፍተኑ ኣይሓድገኩምን እዩ።
14ፍቁራተየ፡ ስለዚ ኻብ ምምላኽ ጣኦት ህደሙ። 15ከም ነስተውዓልቲ እየ ዝዛረብ ዘሎኹ፡ ነዚ ዝብሎ ዘሎኹ ባዕላትኩም ፍረድዎ። 16እታ ንሕና እንባርኻ ናይ በረኸት ጽዋእ ምስ ደም ክርስቶስ ሕብረት ዘለዋዶ ኣይኰነትን፧ እታ እንቘርሳ እንጌራስ ምስ ስጋ ክርስቶስ ሕብረት ዘለዋዶ ኣይኰነትን፧ 17ካብ ሓንቲ እንጌራ ተማቒልና ኢና እሞ፡ ሓንቲ እንጌራ ኻብ እትኸውንሲ፡ ንሕና ብዙሓት ክነስና ሓደ ስጋ ኢና። 18ንእስራኤል እማ ብስጋ ጠምቱ፡ እቶም ካብ መስዋእቲ ዝበልዑስ ምስቲ መሰውኢዶ ሕብረት የብሎምን እዮም፧ 19እንታይከ እብል ኣሎኹ፧ ንጣኦታት እተሰውኤዶ ገለ ነገር እዩ፧ ወይ ጣኦታዶ ገለ ነገር እዩ፧ 20ኣይፋሉ፡ ኣህዛብ ዝስውእዎ ነጋንንቲ እዩ እምበር፡ ንኣምላኽ ኣይኰነን። ምስ ኣጋንንቲ ሕብረት ክህልወኩም ኣይፈቱን እየ። 21ጽዋእ ጐይታን ጽዋእ ኣጋንንትን ክትሰትዩ ኣይከኣለኩምን፡ ካብ መኣዲ ጐይታን ካብ መኣዲ ኣጋንንትን ክትምቀሉውን ኣይከኣለኩምን እዩ። 22ወይስ ንጐይታ ምእንቲ ኸነቕንኦ ዲና፧ ካብኡዶ ንሕና ንብርትዕ፧
23ኲሉ ተፈቒዱለይ፡ ኲሉ ግና ኣይጠቅምን እዩ፡ ኲሉ ተፈቒዱለይ፡ ኲሉ ግና ኣይሃንጽን እዩ። 24ነፍሲ ወከፍ ንጥቕሚ ብጻዩ ደኣ እምበር፡ ሓደ እኳ ጥቕሚ ርእሱ ኣይድለ። 25-26ምድርን እቲ ኣብኣ መሊኡ ዘሎን ናይ እግዚኣብሄር እዩ እሞ፡ ኣብ ዕዳጋ ዝሽየጥ ዘበለ ዂሉ፡ ስለ ሕሊና ኢልኩም ገለ ኸይመራመርኩም ብልዑ። 27ካብቶም ዘይኣምኑ ሓደ እንተ ጸውዓኩም እሞ ክትከዱ እንተ ደሌኹም፡ ስለ ሕሊና ኢልኩም ገለ ኸይመራመርኩም፡ እተቐረበልኩም ዘበለ ዂሉ ብልዑ። 28ገለ፡ እዝስ ንጣኦታት እተሰውኤ እዩ፡ እንተ በለኩም ግና፡ ምእንቲ እቲ ዝነገረኩምን ምእንቲ ሕሊናን ኢልኩም ኣይትብልዑ። 29ማለት፡ ሕሊና ብጻይካ ደኣ እምበር፡ ሕሊና ርእስኻ ኣይበልኩን። ስለምንታይከ እቲ ሓርነተይ ብሕሊና ኻልእ ዝፍረድ፧ 30ኣነ ብምስጋና ኻብ ዝምቀሎ ደኣ፡ ስለምንታይ በቲ ዘመስግነሉ ዝጽረፍ፧ 31እምብኣርሲ እንተ በላዕኩም፡ ወይስ እንተ ሰቴኹም፡ ወይስ ዝዀነ ይኹን እንተ ገበርኩም፡ ኲሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ግበርዎ። 32ንኣይሁድ ኰነ ንጽርኣውያን፡ ወይስ ንማሕበር ኣምላኽ ኰነ መዓንቀፊ ኣይትኹኑ። 33ምእንቲ ኽድሕኑስ ጥቕሚ ብዙሓት እምበር፡ ጥቕሚ ርእሰይ ከይደሌኹ፡ ከምኡ ድማ ኣነ ብዂሉ ነገር ንዂሉ ሰብ አሐጒስ ኣሎኹ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
1ይ ቈረንቶስ ምዕራፍ 11
1ከምዚ ኣነ ንክርስቶስ ዝመስሎ ዘሎኹ፡ ንስኻትኩም ንኣይ ምሰሉ።
2ሕጂ ድማ ብዂሉ ስለ ዝዘከርኩምንን ከምቲ ዝመሃርኩኹም ጌርኩም፡ ነቲ ምህሮ ስለ ዝሓዝኩምዎን እንእደኩም ኣሎኹ። 3ግናኸ ርእሲ ሰብኣይ ዘበለ ክርስቶስ፡ ርእሲ ሰበይቲ ኸኣ ሰብኣይ፡ ርእሲ ክርስቶስውን ኣምላኽ ከም ዝዀነ፡ ክትፈልጡ እፈቱ ኣሎኹ። 4ሰብኣይ ዘበለ ዂሉ ኽጽሊ ወይስ ትንቢት ክንበ ኸሎ፡ ርእሱ እንተ ተጐልበበ፡ ንርእሱ የሕስር። 5ሰበይቲ ዘበለት ኲላ ግና ክትጽሊ ወይስ ትንቢት ክትንበ ኸላ፡ ርእሳ እንተ ዘይተጐልበበት፡ እዚኣስ ከም ልጽይቲ እያ እሞ፡ ርእሳ ተሕስር እያ። 6ሰበይቲ ዘይትጒልበብ እንተ ዀነት፡ እምብኣርሲ ጸጒራ ትቈረጽ። ግናኸ ንሰበይቲ ምቑራጽ ወይስ ምልጻይ ጸጕራ ዘነውራ ኻብ ኰነ፡ ትጐልበብ። 7-8ሰበይቲ ኻብ ሰብኣያ እያ እምበር፡ ሰብኣይ ካብ ሰበይቲ ኣይኰነን እሞ፡ ሰብኣይ ምስሊ ኣምላኽን ክብሩን ካብ ኰነስ፡ ርእሱ ኽጒልበብ ኣይግብኦን እዩ። ሰበይቲ ግና ክብሪ ሰብኣይ እያ። 9ሰበይቲውን እያ ምእንቲ ሰብኣይ እተፈጥረት እምበር፡ ሰብኣይሲ ምእንቲ ሰበይቲ ኣይተፈጥረን። 10ስለዚ ኸኣ ምእንቲ እቶም መላእኽቲ ንሰበይቲ ኣብ ርእሳ ምልክት ምልኪ ኽህልዋ ይግባእ እዩ። 11-12ከምቲ ሰበይቲ ኻብ ሰብኣይ ዝዀነት፡ ከምኡውን ሰብኣይ ብሰበይቲ እዩ፡ ብጐይታ ግና ሰበይቲ ብዘይ ሰብኣይ፡ ሰብኣይ ከኣ ብዘይ ሰበይቲ ከቶ ኣይከውንን እዩ፡ ኲሉ ግና ካብ ኣምላኽ እዩ። 13እስኪ፡ ባዕላትኩም ፍረድዎ፡ ሰበይቲ ኸይተጐልበበት ናብ ኣምላኽ ክትጽሊዶ ይግባእ እዩ፧ 14ወይስ ሰብኣይ ጸጒሩ እንተ ኣንውሐ፡ ሓሳሩ ምዃኑስ እቲ ባህርይ ባዕሉዶ ኣይምህረኩምን እዩ፧ 15ሰበይቲ ጸጒራ እንተ ኣንውሐት ግና፡ ጸጒራ ኣብ ክንዲ መጐልበቢ ተውሂብዋ እዩ እሞ፡ ንእኣ ኽብረታ እዩ። 16ገለ ሰብ ግና ባእሲ ዝፈቱ እንተ ዀነ፡ ንሕናን እተን ማሕበራት ኣምላኽን ከምዚ ዝበለ ልማድ የብልናን።
17ግናኸ እዚ ኽእዝዝ ከሎኹ፡ ምእካብኩም ንዝገድድ እምበር፡ ንዝሓይሽ ስለ ዘይኰነ፡ ኣይንእደኩምን እየ። 18ቅድሚ ዂሉ ኸኣ ኣብ ማሕበር ምስ ተኣከብኩም፡ ምፍልላይ ኣብ ማእከልኩም ከም ዘሎ፡ እሰምዕ ኣሎኹ እሞ፡ ካብኡውን ከፊለ እኣምን እየ። 19እቶም ቅኑዓትኩም ምእንቲ ኽግለጹስ፡ ኣብ ማእከልኩም ሻራ ክኸውን ብግዲ ዘድሊ እዩ። 20-21ብግዜ ብልዕኹም ነፍሲ ወከፍኩም ተቓዳዲሙ ድራሩ ይበልዕ፡ እቲ ሓደን ይጠሚ እቲ ሓደን ይሰክር ኣሎ እሞ፡ ከምኡ እቲ ብሓደ ምእካብኩም ንምብላዕ መኣዲ ጐይታ ኣይኰነን። 22እትበልዑሉን እትሰትዩሉን ኣባይቲዶ የብልኩምን፧ ወይስ ንማሕበር ኣምላኽ ንዒቕኩም ዲኹም፡ ነቶም
ዘይብሎምውን እተሕፍርዎም ዘለኹም ፧ እንታይ እሞ ኽብለኩም፧ በዚዶ ኽንእደኩም፧ ኣይንእደኩምን እየ። 23ኣነ ኻብ ጐይታ እተቐበልክዎ እየ እሞ፡ ንኣኻትኩምውን ዝነገርክዎ፡ ጐይታና የሱስ በታ እተታሕዘላ ለይቲ እንጌራ ኣልዓለ፡ 24ኣመስጊኑ ቘረሰ እሞ፡ ውሰዱ፡ ብልዑ፡ እዚ ምእንታኹም እተዋህበ ስጋይ እዩ፡ እዚ ንመዘከርታይ ግበርዎ፡ በለ። 25ከምኡ ኸኣ ድሕሪ ድራር ነታ ጽዋእ ኣልዓለ እሞ፡ እዛ ጽዋእ እዚኣ ብደመይ ሓድሽ ኪዳን እያ። ብትሰትይዎ መጠን ንመዘከርታይ ግበርዎ፡ በለ። 26ማለት፡ እዛ እንጌራ እዚኣ ብትበልዕዋ፡ እዛ ጽዋእ እዚኣውን ብትሰትይዋ መጠን፡ ክሳዕ ጐይታ ዝመጽእ፡ ሞቱ ትነግሩ ኢኹም። 27ስለዚ ኸይተገብኦ እዛ እንጌራ እዚኣ ዝበልዕ ወይስ ጽዋእ ጐይታ ዝሰቲ፡ ንሱ ኣብ ናይ ጐይታ ስጋን ደምን እዩ ዝዕግብ። 28ግናኸ ሰብ ንርእሱ ይመርምር፡ ከምኡ ኸኣ ካብዛ እንጌራ እዚኣ ይብላዕ፡ ካብዛ ጽዋእ እዚኣውን ይስተ። 29እቲ ዝበልዕን ዝሰትን ንስጋ ጐይታ እንተ ዘይለለየ፡ ንርእሱ እዩ ፍርዲ ዝበልዕን ዝሰትን። 30በዚ ምኽንያት እዚ እዮም ኣብ ማእከልኩም ብዙሓት ድኹማትን ሕሙማትን ዘለዉ፡ ዝደቀሱውን ብዙሓት እዮም። 31ግናኸ ኣብ ርእስና እንተ ንፈርድሲ፡ ኣይምተዀነናን ኔርና። 32ክንፍረድ ከሎና ግና፡ ምስ ዓለም ምእንቲ ኸይንዂነን፡ ብጐይታ ንቕጻዕ ኣሎና። 33ስለዚ፡ ኣሕዋተየ፡ ንምብላዕ ክትእከቡ ኸሎኹም፡ ንሓድሕድኩም ደኣ ተጸባበዩ። 34ምእካብኩም ንፍርዲ ምእንቲ ኸይከውን፡ ገለ ሰብ እንተ ጠመየ፡ ኣብ ቤቱ ይብላዕ። ነቲ ዝተረፈ ግና፡ ምስ መጻእኩ፡ ክሰርዖ እየ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
1ይ ቈረንቶስ ምዕራፍ 12
1ኣሕዋተየ፡ ብዛዕባቲ መንፈሳዊ ውህበት ግና ብዘይ ፍልጠት ክትኰኑ ኣይፈቱን እየ። 2ኣረማውያን ከሎኹም፡ ናብቶም ዓባሳት ጣኦታት እናተመራሕኩም ከም እተሰሓብኩም፡ ትፈልጡ ኢኹም። 3ስለዚ ሓደ እኳ ብመንፈስ ኣምላኽ ዝዛረብ፡ የሱስ ርጉም እዩ ኸም ዘይብል፡ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሑ እንተ ዘይኰነ ኸኣ፡ የሱስ ጐይታ እዩ ኽብል ንሓደ እኳ ኸም ዘይኰነሉ፡ አፍልጠኩም ኣሎኹ።
4እምብኣርከ ውህበት በበይኑ እዩ፡ መንፈስ ግና ሓደ ንሱ እዩ። 5ኣገልግሎት በበይኑ እዩ፡ ጐይታ ግና ሓደ ንሱ እዩ። 6ግብሪ ሓይሊ ድማ በበይኑ እዩ፡ እቲ ኣብ ኲላቶም ኲሉ ዝገብር ኣምላኽ ግና ሓደ ንሱ እዩ። 7ግናኸ ንነፍሲ ወከፍ ምግላጽ መንፈስ ንጥቕሚ ይውሃቦ እዩ። 8ንሓደስ ቃል ጥበብ ብመንፈስ ይውሃቦ እዩ፡ ነቲ ሓደ ኸኣ ቃል ፍልጠት በቲ ሓደ መንፈስ፡ 9ንሓደ ግና እምነት በቲ ሓደ መንፈስ፡ ንሓደ ድማ በቲ ሓደ መንፈስ ናይ ምፍዋስ ውህበት ይውሃቦ፡ 10ንሓደ ኸኣ ግብሪ ሓይሊ ንምግባር፡ ንሓደ ትንቢት፡ ንሓደ ምልላይ መናፍስቲ፡ ንሓደ በብዓይነቱ ዘሎ ቛንቋታት፡ ነቲ ሓደ ኸኣ ምትርጓም ቋንቋታት ይውሃቦ። 11እዚ ዂሉ ኸኣ ንሱ እቲ ሓደ መንፈስ ከም ዝደልዮ ገይሩ ንነፍሲ ወከፍ ገግዲኡ እናመቐለ እዩ ዝገብሮ።
12ከምቲ ስጋ ሓደ ኽነሱስ፡ ብዙሕ ኣካላት ዘለዎ፡ ብዘሎ እቲ ኣካላት ስጋ ኸኣ፡ ብዙሕ ክነሱስ፡ ሓደ ስጋ ዝዀነ፡ ክርስቶስ ከኣ ከምኡ እዩ። 13ኣይሁድ ወይስ ጽርኣውያን፡ ባሮት ወይስ ጭዋታት እንተ ዀንና፡ ንሕና ዂላትና ሓደ ስጋ ምእንቲ ኽንከውንሲ፡ ብሓደ መንፈስ ተጠሚቕና ኢና እሞ፡ ሓደ መንፈስ ሰቴና። 14እቲ ስጋ ኸኣ ብዙሕ እምበር፡ ሓደ ኣካል ኣይኰነን እሞ፡ 15እግሪ፡ ኢድ ካብ ዘይኰንኩስ፡ ናይ ስጋ ኣይኰንኩን፡ እንተ በለ፡ በዚዶ ናይ ስጋ ምዃኑ ይተርፎ እዩ፧ 16እዝኒ ድማ፡ ዓይኒ ኻብ ዘይኰንኩስ፡ ናይ ስጋ ኣይኰንኩን፡ እንተ በለት፡ በዚዶ ናይ ስጋ ምዃና ይተርፍ እዩ፧ 17ብዘሎ እቲ ስጋ ዂሉ ዓይኒ እንተ ዝኸውን ደኣ፡ ምስማዕ ኣበይ ምተረኽበ፧ እቲ ስጋ ዂለንትናኡ ምስማዕ እንተ ዝኸውንከ፡ ምሽታት ኣበይ ምተረኸበ፧ 18ሕጂ ግና ኣምላኽ፡ ንሱ ኸም ዝደለዮ ገይሩ፡ ነቲ ኣካላት ንነፍሲ ወከፉ ኣብቲ ስጋ ሰርዖ። 19ኲሉ ኣካላት ሓደ ኣካል ጥራይ እንተ ዝኸውንከ፡ እቲ ስጋ ኣበይ ምሃለወ ፧ 20ሕጂ ግና ኣካላት ብዙሕ፡ እቲ ስጋ ግና ሓደ እዩ። 21ዓይኒ ንኢድ፡ ኣይደልየክን፡ ክትብላ ኣይከኣላን እዩ፡ ወይስ ርእሲ ድማ ነእጋር፡ ኣይደልየኩምን፡ ክትብሎም ኣይከኣላን እዩ። 22እቶም ድኹማት ዝመስሉ ኣካላት ስጋ እባ ግዳ እዮም ኣዝዮም ዝድለዩ። 23ነቲ ኣብ ስጋ ዘሎ ሕሱር ዝመስለና ኸኣ፡ ብዝበዝሕ ክብሪ ንኸድኖ፡ ንሕፍረትናውን ኣዚና ብኽብሪ ንኽውሎ። 24-25እቲ ኽቡር ኣካላትና ግና እዚ ኣየድልዮን እዩ። ግናኸ እቲ ኣካላት ንሓድሕዱ ሓደ ሓልዮ ኽህልዎ እምበር፡ ኣብቲ ስጋ ምፍልላይ ምእንቲ ኸይከውንሲ፡ ኣምላኽ ነቲ ኽብሪ ዝጐደሎ ኣካል ዝበዝሕ ክብሪ እናሃበ፡ ነቲ ስጋ ኣጋጠሞ። 26ሓደ ኣካል እንተ ተሰቀየ፡ ኲሉ ኣካላት ይስቀ፡ ሓደ ኣካል እንተ ኸበረ ኸኣ፡ ኲሉ ኣካላት ሓቢሩ እዩ ዝሕጐስ።
27እምብኣርከ ንስኻትኩም ስጋ ክርስቶስ ኢኹም፡ ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ በብኽፍሉ ኣካላቱ ኢኹም። 28ኣምላኽ ድማ ኣብ ማሕበር ቅድም ሃዋርያ፡ ካልኣይ ነብያት፡ ሳልሳይ መምህራን፡ ደሓር ገበርቲ ሓይልታት፡ ደሓር ውህበት ምፍዋስ፡ ምርዳእ ድኹማት፡ ምምራሕ፡ በበይኑ ቛንቋታት ሰርዐ። 29ኲላቶምዶ ሃዋርያት እዮም፧ ኲላቶምዶ ነብያት እዮም፧ ኲላቶምዶ መምህራን እዮም፧ ኲላቶምዶኸ ገበርቲ ተኣምራት እዮም፧ 30ኲላቶምዶ ውህበት ምፍዋስ ኣለዎም፧ ኲላቶምዶ ቛንቋታት ይዛረቡ እዮም፧ ኲላቶምዶኸ ይትርጒሙ እዮም፧ 31ነተን ዝዓበያ ውህበታት ደኣ ጽዓቱ። ሕጂ ኸኣ ዝበለጸ መገዲ ኽሕብረኩም እየ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
1ይ ቈረንቶስ ምዕራፍ 13
1ብቛንቋታት ሰብን መላእኽትን እንተ ዝዛረብ፡ ፍቕሪ ኻብ ዘይትህልወኒ፡ ከም ዘድሂ ኣስራዚ ወይስ ጭልጭል ከም ዝብል ጸናጽል ምዀንኩ። 2ትንቢት እንተ ዝህልወኒ፡ ኲሉ ምስጢራትን ኲሉ ፍልጠትን እንተ ዝፈልጥ፡ ኣኽራን ክሳዕ ዘግዕዝ ከኣ ኲሉ እምነት እንተ ዝህልወኒ፡ ፍቕሪ ኻብ ዘይትህልወኒ፡ ከንቱ ምዀንኩ ነይረ። 3ኲሉ ገንዘበይ ከኣ ንድኻታት እንተ ዝዕድል፡ ስጋይውን ንምንዳድ ኣሕሊፈ እንተ ዝህብ፡ ፍቕሪ ኻብ ዘይትህልወኒ፡ ሓንቲ እኳ ኣይጠቕመንን እዩ።
4ፍቕሪ ዓቃል እያ፡ ፍቕሪ ለዋህ እያ፡ ፍቕሪ ኣይትቐንእን፡ ፍቕሪ ኣይትጀሃርን ኣይትንፋሕን፡ 5ኣይተስተሓፍርን፡ ናታ ኣይትደልን፡ ኣይትምረርን፡ ኣይትቕየምን እያ፡ 6ብሓቂ ትሕጐስ እምበር፡ ብዓመጽ ባህ ኣይብላን። 7ኲሉ ትጸውር፡ ኲሉ ትኣምን፡ ኲሉ ተስፋ ትገብር፡ ኲሉ ትዕገስ።
8ፍቕሪ ከቶ ኣይተቋርጽን እያ። ትንቢት እንተሎ ንሱ ኽሰዓር፡ ምዝራብ ቛንቋታት እንተሎ ንሱ ኽውዳእ፡ ፍልጠት እንተሎውን ንሱ ኽሰዓር እዩ፡ 9ማለት፡ ሓደ ምቃል ንፈልጥ ኢና እሞ፡ ሓደ ምቃል ከኣ ንንበ። 10ግናኸ እቲ ምልኣት ምስ መጸ፡ እቲ ምቃል ክሰዓር እዩ። 11ቈልዓ ኸሎኹ፡ ከም ቈልዓ ተዛረብኩ፡ ልቢ ቘልዓ ነበረኒ፡ ከም ቈልዓ ሓሰብኩ። ሰብኣይ ምስ ኰንኩ ግና፡ እቲ ነገር ቈልዓ ሓደግኩ። 12ሕጂስ ብመረጸን ዋግዋጎ ንርኢ ኣሎና፡ ሽዑ ግና ገጽ ንገጽ ክንርኢ ኢና እሞ፡ ሕጂ ምቃል እፈልጥ ኣሎኹ፡ ሽዑ ግና ከምቲ ኣነ እተፈለጥኩ ኽፈልጥ እየ። 13ሕጂ ግና እምነት፡ ተስፋ፡ ፍቕሪ፡ እዘን ሰለስተ እዚኣተን ይነብራ፡ ካብዚኣተን እትዓቢ ግና ፍቕሪ እያ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
1ይ ቈረንቶስ ምዕራፍ 14
1ንፍቕሪ ስዓብዋ፡ ንመንፈሳዊ ውህበት፡ ምናዳ ግና ክትንበዩ ቕንኡ። 2እቲ ብቛንቋ ዝዛረብ ምስጢራት ብመንፈስ ይዛረብ ኣሎ፡ ሓደ እኳ ኣየስተውዕሎን እዩ እሞ፡ ንኣምላኽ እምበር፡ ንሰብ ኣይኰነን ዝዛረብ ዘሎ። 3እቲ ትንቢት ዝንበ ግና፡ ንሰብ ዝሃንጽን ዝምዕድን ዘጸናንዕን እዩ ዝዛረብ። 4ቋንቋታት ዝዛረብ ንርእሱ ይሃንጽ፡ ትንቢት ዝንበ ግና ንማሕበር እዩ ዝሃንጽ። 5ስለዚ ዂላትኩም ብቛንቋታት ክትዛረቡ፡ ምናዳ ግና ክትንበዩ እፈቱ ኣሎኹ። እታ ማሕበር ምእንቲ ኽትህነጽ፡ ዝትርጕም እንተ ዘይኰነስ፡ ካብቲ ብቛንቋታት ዝዛረብ እቲ ትንቢት ዝንበ ይዓቢ። 6ኣሕዋተየ፡ ሕጂ ግና ብቛንቋታት እናተዛረብኩ እንተ ዝመጸኩም እሞ ብራእይ፡ ወይ ብፍልጠት፡ ወይ ብትንቢት፡ ወይ ብምህሮ ገይረ እንተ ዘይተዛረብኩኹም፡ እንታይ ክጠቕመኩም እዩ፧ 7-8እቲ መለኸት ዘይፍለጥ ድምጺ እንተ ኣድሃየኸ፡ መን እዩ ንወግእ ዝስለፍ፧ እቲ ህይወት ዘይብሉ እሞ ድምጺ ዘድሂ ኸም እኒ እምብልታ ወይስ መሰንቆ ዘመሰለ ፍሉይ ቃናታት እንተ ዘየድሃየ፡ እቲ ብእምብልታ ወይስ ብመሰንቆ ዝቃነ ኸመይ ገይሩ ይፍለጥ፧ 9ከምኡ ኸኣ ንስኻትኩም በቲ ቛንቋታት ዘስትውዕል ጌርኩም እንተ ዘይተዛረብኩምከ፡ ምስ ንፋስ ከም እትዛረቡ ኢኹም እትዀኑ እሞ፡ እቲ እትብልዎ ኸመይ ኢሉ ኽፍለጥ እዩ፧ 10ኣብ ዓለም በበይኑ ዝዀነ ብዙሕ ቋንቋታት ኣሎ፡ ርግጽ ደሃይ ዘይብሉ ግና የልቦን። 11እምብኣርሲ ኣነ ሓሳብ እቲ ድምጺ ኻብ ዘይፈልጥ፡ ነቲ ዝዛረብ ከም ባርባር ክዀኖ እየ፡ እቲ ዝዛረብውን ንኣይ ከም ባርባር እዩ ዝዀነኒ። 12ከምኡ ድማ ንስኻትኩም ንመንፈሳዊ ውህበት እትቐንኡ ኻብ ኰንኩምሲ፡ ንምህናጽ ማሕበር ዕዙዛት ክትኰኑ ድለዩ። 13-14ብቛንቋ ጓና እንተ ጸሌኹ፡ መንፈሰይ እዩ ዝጽሊ፡ ኣእምሮይ ግና ብዘይ ፍረ እዩ፡ ስለዚ እቲ ብቛንቋ ዝዛረብ፡ ምትርጓሙ ምእንቲ ኽከኣሎ፡ ይጸሊ። 15እንታይ ደኣ እዩ፧ ብመንፈስ ክጽሊ፡ ግናኸ በእምሮይ ድማ ክጽሊ እየ፡ ብመንፈስ ክዝምር፡ ግናኸ በእምሮይውን ክዝምር ኣየ። 16እንተ ዘይኰነስ ብመንፈስ እንተ ባረኽካ፡ እቲ ኣብ ስፍራ እቲ ዘይተማህረ ተቐሚጡ ዘሎ ነቲ ንስኻ እትብሎ ኻብ ዘይፈልጦ፡ ከመይ ገይሩ ብምስጋናኻ ኣሜን ክብል ይከኣሎ፧ 17ንስኻስ ጽቡቕ ጌርካ ተመስግን ኣሎኻ፡ እቲ ኻልእ ግና ኣይተሃንጸን። 18ሓለፋ ዂላትኩም ቋንቋታት እዛረብ እየ እሞ ንኣምላኽ አመስግን ኣሎኹ። 19ግናኸ ንኻልኦትውን ምእንቲ ኽምህርሲ፡ ኣብ ማሕበር እልፊ ቃል ቋንቋ ካብ ዝዛረብ ሓሙሽተ ቃላት በእምሮ ክዛረብ እፈቱ ኣሎኹ።
20ኣሕዋተየ፡ በእምሮ ሰብኡት ኩኑ፡ ብኽፍኣት ደኣ ሕጻናት ኩኑ እምበር፡ ብዛዕባ ኣእምሮስ ቈልዑ ኣይትኹኑ። 21ኣብ ሕጊ፡ ነዚ ህዝቢ እዚ ብኻልእ ዝቛንቋኦም ሰባትን ብኸናፍር ጓኖትን ገይረ ኽዛረቦ እየ፡ ምስናይ እዚ እኳ ኣይኪሰምዑን እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ዝብል ጽሑፍ ኣሎ። 22ስለዚ ቛንቋታት ነቶም ዘይኣምኑ ምልክት እዩ እምበር፡ ነቶም ዝኣምኑ ኣይኰነን። ትንቢት ግና ነቶም ዝኣምኑ ምልክት እዩ እምበር፡ ነቶም ዘይኣምኑ ኣይኰነን። 23ደጊም ኩላ እታ ማሕበር ሓቢራ እንተ ተኣከበት፡ ኩላቶም ከኣ ብቛንቋታት እንተ ተዛረቡ እሞ ዘይምሁራት ወይስ ዘይኣምኑ ሰብ ኣብኡ እንተ ኣተዉ፡ ተጸሊሎምዶ ኣይብሉን እዮም፧ 24ግናኸ ኲላቶም እንተ ተነበዩ እሞ ሓደ ዘይኣምን ወይስ ዘይምሁር እንተ ኣተወ፡ ኲላቶም ይገንሕዎ፡ ኲላቶም ይፈርድዎ እዮም። 25እቲ ኣብ ልቡ እተሓብኤ ድማ ይግለጽ እሞ ከምኡውን ኣምላኽ ኣብ ማእከልኩም ከም ዘሎ እናነገረ፡ ብገጹ ተደፊኡ ንኣምላኽ ኪሰግድ እዩ።
26ኣሕዋተየ፡ እንታይ ደኣ እዩ፧ ክትእከቡ ኸሎኹም፡ ነፍሲ ወከፍኩም መዝሙር ኣለዎ፡ ምህሮ ኣለዎ፡ ራእይ ኣለዎ፡ ቋንቋ ኣለዎ፡ ትርጉም ኣለዎ፡ ኲሉ ንምህናጽ ይገበር። 27ብቛንቋ ዝዛረብ እንተሎ፡ ክልተ፡ እንተ በዝሑ ኸኣ ሰለስተ ይኹኑ እሞ በብተራ ይዛረቡ፡ ሓደ ኸኣ ይተርጒሞ። 28ተርጓሚ እንተ ዘይልቦ ግና፡ እቲ ብቛንቋ ዝዛረብ ኣብታ ማሕበር ስቕ ይበል፡ ንርእሱን ንኣምላኽን ግና ይዛረብ ደኣ። 29ነብያት ድማ ክልተ ወይስ ሰለስተ ዀይኖም ይዛረቡ፡ እቶም ካልኦትውን ይመርምሩ። 30ካብቶም ተቐሚጦም ዘለዉ ንሓደስ ራእይ እንተ ተገልጸሉ ግና፡ እቲ ቐዳማይ ስቕ ይበል። 31ኲላቶም ምእንቲ ኽምሃሩ ዂላቶምውን ክምዓዱስ፡ ኲላትኩም በብሓደ ኽትንበዪ ይከኣለኩም እዩ። 32-33ኣምላኽሲ ናይ ሰላም እምበር፡ ናይ ዝርግርግ ኣምላኽ ኣይኰነን እሞ፡ እቶም መናፍስቲ ነብያት ነቶም ነብያት ይግዝእዎም እዮም።
34ከምቲ ኣብ ኲላተን ማሕበራት ቅዱሳን ዝግበር ዘሎ፡ ኣንስቲ ኣብ ማሕበር ኪዛረባ ኣይተፈቕደለንን እዩ እሞ፡ ስቕ ይበላ። ከምቲ ሕጊ ዝብሎ ድማ ይገዝኣ። 35ንሰበይቲ ኣብ ማሕበር ምዝራብ ነውሪ እዩ እሞ፡ ገለ ኺምሃራ እንተ ደለያ፡ ኣብ ቤት ንሰብኡተን ይሕተታ። 36ወይስ ቃል ኣምላኽዶ ኻባኻትኩም እዩ ዝወጸ፧ ወይስ ኣባኻትኩም ጥራይ ድዩ ዝበጽሐ፧
37ሓደ ንሱ ንርእሱ ነብዪ ወይስ መንፈሳዊ ኸም ዝዀነ እንተ መሰሎ፡ እዚ ዝጽሕፈልኩም ዘሎኹ ናይ እግዚኣብሄር ትእዛዛት ምዃኑ ይፍለጥ። 38እቲ ኽፈልጦ ዘይደሊ ግና፡ ኣይፍለጦ።
39ኣሕዋተየ፡ ስለዚ ኽትንበዩ ሃረር በሉ፡ ብቛንቋታት ምዝራብ ድማ ኣይትኸልከሉ። 40ግናኸ ኲሉ ብስርዓትን በጋባብን ይኹን።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
1ይ ቈረንቶስ ምዕራፍ 15
1-2ኣሕዋተየ፡ ንኸንቱ ኣሚንኩም እንተ ዘይኰንኩም፡ ከምቲ ኣነ ዝሰበኽክዎ ጌርኩም ሒዝኩምዎ እንተ ኣሊኹምሲ፡ እቲ ዝሰበኽኹልኩምን እተቐበልኩምዎን ኣብኡ ጸኒዕኩም ዘሎኹምን ብእኡውን እትድሕኑሉን ወንጌል አፍልጠኩም ኣሎኹ። 3እቲ ኣነ እተቐበልክዎ ቕድሚ ዂሉ ነጊረኩም እየ፡ ከምቲ እቶም ጽሑፋት ዝብልዎ፡ ክርስቶስ ምእንቲ ሓጢኣትና ሞተ፡ 4ተቐብረ ኸኣ፡ ከምቲ እቶም ጽሑፋት ዝብልዎ፡ ብሳልሰይቲ መዓልቲውን ተንስኤ፡ 5ንኬፋ፡ ደሓርውን ነቶም ዓሰርተው ክልተ ተራእየ፡ 6ድሕሪኡ፡ ዝበዝሑ ኻባታቶም ክሳዕ ሎሚ ዘለዉ፡ ገሊኣቶም ግና ደቂሶም ዘለዉ፡ ካብ ሓሙሽተ ሚእቲ ንዝበዝሑ ኣሕዋት ብሓንሳእ ተራእየ። 7ድሕሪኡ ንያእቆብ፡ ድሕሪኡ ኸኣ ንዂላቶም ሃዋርያት ተራእየ። 8ድሕሪ ዂላቶም ድማ ንኣይ፡ ቍላዕ ንዝመስል፡ ተራእየኒ። 9ኣነስ ነታ ማሕበር ኣምላኽ ስለ ዝሰጐጒክዋ፡ ምንኣስ ኲላቶም ሃዋርያት እየ እሞ ሃዋርያ ኽስመ ብቑዕ ኣይኰንኩን። 10እቲ ዘሎኽዎ ግና ብጸጋ ኣምላኽ እየ ዘሎኹ። ካብ ኲላቶም ዝበዝሕ ደኣ ጸዓርኩ እምበር፡ እቲ ንኣይ እተዋህበ ጸጋኡ ኸንቱ ኣይኰነን። እቲ ምሳይ ዘሎ ጻጋ ኣምላኽ ደኣ እዩ እምበር፡ ኣነ ኣይኰንኩን። 11እምብኣርሲ ኣነ እንተ ዀንኩ፡ ንሳቶም እንተ ዀኑ፡ ከምዚ ጌርና ንሰብኽ ኣሎና፡ ንስኻትኩምውን ከምኡ ኣመንኩም።
12ክርስቶስ ካብ ምዉታት ከም ዝተንስኤ ኻብ ዝስበኽ ደኣ፡ ከመይ ኢሎም እዮም ሓያሎ ኻባኻትኩም፡ ትንሳኤ ምዉታት የልቦን፡ ዝብሉ ዘለዉ፧ 13ትንሳኤ ምዉታት ዘየልቦ እንተ ዀይኑስ፡ ክርስቶስ ድማ ኣይተንስኤን። 14ክርስቶስ ዘይተንስኤ እንተ ዀይኑስ፡ እምብኣርከ ስብከትና ኸንቱ እዩ፡ እምነትኩምውን ከንቱ እያ። 15ኣምላኽ ንክርስቶስ ኣተንሲእዎ ኢልና መስኪርና ኢና እሞ፡ ንክርስቶስ ዘየተንስኦ እንተ ዀይኑስ፡ ምዉታትውን እንተ ዘይትንስኡ፡ ንሕና ሓሰውቲ ምስክር ኣምላኽ ኴንና ንርከብ ኢና። 16ምዉታት እንተ ዘይትንስኡስ፡ ክርስቶስውን ኣይተንስኤን እሞ፡ 17ክርስቶስ ዘይተንስኤ እንተ ዀይኑስ፡ እምነትኩም ከንቱ እያ፡ ንስኻትኩም ገና ኣብ ሓጢኣትኩም ኣሎኹም። 18እምብኣርሲ እቶም ብክርስቶስ ዝደቀሱ ድማ ጥፉኣት እዮም። 19ኣብዛ ህይወት እዚኣ ጥራይ ብክርስቶስ ተስፋ እንተ ገበርናስ፡ ካብ ኲሉ እነደንግጽ ምዀንና ኔርና።
20ሕጂ ግና ክርስቶስ፡ በዂሪ እቶም ዝደቀሱ ዀይኑ፡ ካብ ምዉታት ተንስኤ። 21ስለዚ ኽምቲ ሞት ብሓደ ሰብ ዝመጸ፡ ከምኡ ኸኣ ትንሳኤ ምውታት ብሓደ ሰብ እዩ ዝመጸ። 22ከምቲ ኹላቶም ብኣዳም ዝሞቱ፡ ከምኡ ድማ ኩላቶም ብክርስቶስ ህያዋን ክኾኑ እዮም። 23ግናኸ ነፍሲ ወከፍ በብስርዓቱ እዩ፡ ክርስቶስ ከም ቦኽሪ፡ ደሓር እቶም ናይ ክርስቶስ ዘበሉ ብምጽኣቱ። 24-25ክርስቶስ ነቶም ጸላእቱ ዘበሉ ትሕቲ ኣእጋሩ ክሳዕ ዝገብሮም፡ ክነግስ ይግብኦ እዩ እሞ፡ ኩሉ ሽመትን ስልጣንን ሓይልን ምስ ሰዓረ፡ እታ መንግስቲ ንእግዚኣብሄር ኣቦ ምስ ወፈየ፡ ሽዑ እዩ መወዳእታ ዝኸውን። 26እቲ ኣብ መወዳእታ ዝስዓር ጸላኢውን ሞት እዩ። 27ኣምላኽ፡ ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩ ኹሉ ኣግዝኦ እሞ፡ ኩሉ ተገዝኤ፡ ክብል ከሎ፡ ብዘይ እቲ ኹሉ ንእኡ ዘግዝኦ ኸም ዝኾነ፡ ግሁድ እዩ። 28ኩሉ ምስ ተገዝኦ ግና፡ ኣምላኽውን ኩሉ ኣብ ኩሉ ምእንቲ ክኸውን፡ ሽዑ እቲ ወዲ ባዕሉ ነቲ ኹሉ ዘግዝኦ ኽግዛእ እዩ።
29እንተ ዘይኮነስ፡ እቶም ኣብ ክንዲ ምውታት ዝጥመቑ ደኣ እንታይ ይገብሩ ኣለው፡ ብሱሩ ምውታት ዘይትንስኡ እንተ ኾይኖምሲ፡ ንምንታይ ደኣ ዝጥመቑሎም፡ 30ስለምንታይ ድኣ ንሕናኸ ኹሉ ግዜ ኣብ ፍርሃት እንኣቱ፡ 31ኣሕዋተየ፡ ኣነ በቲ ብክርስቶስ የሱስ ጐይታና ኣባኻትኩም ዘሎኒ ትምክሕቲ ኣብ ጸጽባሕ እመውት ኣሎኹ። 32ኣነ ኸም ግእዚ ሰብ ኣብ ኤፌሶን ምስ ኣራዊት እንተ ገጠምኩ፡ እንታይ ጥቕሚ ኣሎኒ፧ ምዉታት ዘይትንስኡ እንተ ዀኑስ፡ ጽባሕ ክንመውት ኢና እሞ፡ ንብላዕን ንስተን። 33ኣይትታለሉ፡ ሕማቕ ዕርክነት ንጽቡቕ ልማድ የጥፍኦ እዩ። 34ገሊኣቶም ፍልጠት ኣምላኽ የብሎምን እሞ፡ ንቕንዕና ተባራበሩ ሓጢኣትውን ኣይትግበሩ። እዚ ምእንቲ ኽትሓፍሩ ኢለ እየ ዝብሎ ዘሎኹ።
35ገለ ግና፡ ምዉታት ከመይ ኢሎም እዮም ዝትንስኡ፧ ብኸመይ ዝበለ ስጋኸ እዮም ዝመጹ፧ ዝብል ይህሉ። 36ኣታ ዓሻ፡ እቲ ንስኻ እትዘርኦ ኸይሞተ ህይወት ኣይረክብን እዩ። 37እቲ እትዘርኦ ድማ ናይ ስርናይ ወይስ ናይ ካልእ ዓይነት ፍረ ጥራይ እዩ እምበር፡ እቲ ስጋ ዝኸውን ኣይኰነን እትዘርኦ ዘሎኻ። 38ኣምላኽ ግና ከም ዝደለየ ገይሩ እዩ ስጋ ዝህቦ። ንነፍሲ ወከፍ ዘርኢውን ሰስጋኡ ይህቦ። 39ስጋ ሰብ በይኑ፡ ስጋ እንስሳ በይኑ፡ ስጋ ኣዕዋፍ በይኑ፡ ስጋ ዓሳውን በይኑ ደኣ እዩ እምበር፡ ኲሉ ስጋስ ሓደ ዓይነት ስጋ ኣይኰነን። 40ሰማያዊ ስጋ ድማ ኣሎ፡ ምድራዊ ስጋ ኸኣ ኣሎ፡ ግናኸ ክብሪ እቶም ሰማያውያን በይኑ፡ ክብሪ እቶም ምድራውያንውን በይኑ እዩ። 41ብኽብርስ ኰዀብ እኳ ኻብ ኰዀብ ይበልጽ እዩ እሞ፡ ክብሪ ጸሓይ በይኑ፡ ክብሪ ወርሒ በይኑ፡ ክብሪ ኸዋኽብቲውን በይኑ እዩ። 42ትንሳኤ ምዉታትውን ከምኡ እዩ፡ ብዝሓልፍ ይዝራእ፡ ብዘይሓልፍ ከኣ ይትንስእ። 43ብውርደት ይዝራእ፡ ብኽብሪ ይትንስእ። ብድኻም ይዝራእ፡ ብሓይሊ ይትንስእ። 44ነፍሳዊ ስጋ ይዝራእ፡ መንፈሳዊ ስጋ ይትንስእ። ነፍሳዊ ስጋ ኻብ ዝህሉ፡ መንፈሳዊ ስጋውን ኣሎ። 45ከምኡ ድማ፡ እቲ ቐዳማይ ሰብ፡ ኣዳም፡ ህያው ነፍሲ ዀነ፡ ዝብል ጽሑፍ እዩ፡ እቲ ዳሕራይ ኣዳም ህያው ዝገብር መንፈስ ኰነ። 46ግናኸ ቅድም እቲ ነፍሳዊ እዩ እምበር፡ እቲ መንፈሳዊ ኣይኰነን፡ ደሓር እቲ መንፈሳዊ እዩ። 47እቲ ቐዳማይ ሰብ ካብ ምድሪ ዀይኑ መሬታዊ እዩ፡ እቲ ኻልኣይ ሰብ ግና ካብ ሰማይ እዩ። 48ከምቲ መሬታዊ ኸምኡ ኸኣ እቶም መሬታውያን እዮም፡ ከምቲ ሰማያዊ ድማ ከምኡውን እቶም ሰማያውያን እዮም። 49ከምቲ ምስሊ እቲ መሬታዊ ዝለበሰና፡ ምስሊ እቲ ሰማያዊ ድማ ክንለብስ ኢና።
50ግናኸ፡ ኣሕዋተየ፡ ስጋን ደምን መንግስቲ ኣምላኽ ክወርስ ከም ዘይከኣሎ፡ እቲ ሓላፊ ድማ ነቲ ዘይሓልፍ ከም ዘይወርሶ፡ እብለኩም ኣሎኹ። 51እንሆ፡ ምስጢር እነግረኩም ኣሎኹ፡ ኲላትና ኽንልወጥ እምበር፡ ኲላትና ኣይክንድቅስን ኢና፡ 52ብሓንሳእ፡ ብቕጽበት ዓይኒ፡ በቲ ናይ ድሕሪ ዂሉ መለኸት፡ እቲ መለኸት ክንፋሕ እዩ እሞ፡ እቶም ምዉታት ድማ ብዘይሓልፍ ክትንስኡ እዮም፡ ንሕናውን ክንልወጥ ኢና። 53ማለት፡ እዚ ሓላፊ ዘይሓልፍ ክለብስ ይግብኦ እዩ እሞ፡ እዚ መዋቲ ኸኣ ዘይመውት ክለብስ እዩ። 54እዚ ሓላፊ ዘይሓልፍ ምስ ለበሰ፡ እዚ መዋቲውን ዘይመውት ምስ ለበሰ፡ ሽዑ እቲ ጽሑፍ፡ ሞት ብዓወት ተዋሕጠ፡ ዝበሎ ቓል ክፍጸም እዩ። 55ዎ ሞት፡ ኣበይ ኣሎ ብልሕኻ፧ ኣታ ሲኦልከ፡ ኣበይ ኣሎ ዓወትካ፧ 56ብልሒ ሞት ሓጢኣት እዩ፡ ሓይሊ ሓጢኣትውን ሕጊ እዩ። 57ግናኸ ነቲ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ገይሩ ዓወት ዝስህበና ኣምላኽ ስብሓት ይኹኖ። 58ስለዚ፡ ፍቁራት ኣሕዋተየ፡ ጻዕርኹም ብጐይታ ኸንቱ ኸም ዘይኰነ ፈሊጥኩም፡ ብዕዮ ጐይታ ጽኑዓት፡ ዘይትናቓነቑ፡ ኲሉ ግዜ ዕዙዛት ኩኑ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
1ይ ቈረንቶስ ምዕራፍ 16
1ብዛዕባ እቲ ነቶም ቅዱሳን ክኸውን ዝዋጻእ ገንዘብ ግና፡ ከምቲ ንማሕበር ገላትያ ዝሰራዕክዎ፡ ንስኻትኩምውን ከምኡ ግበሩ። 2ኣነ ምስ መጻእኩ፡ ምውጻእ ገንዘብ ሽዑ ምእንቲ ኸይከውን፡ ኣብ ሰሰሙን በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ነፍሲ ወከፍኩም ከከም ዓቕሙ ኣዋህሊሉ ምስኡ የቐምጥ። 3ኣነ ምስ መጻእኩ ድማ። እቲ ህያብ ልግስኹም ናብ የሩሳሌም ምእንቲ ኸብጽሕ፡ ነቶም ግቡኣት ኰይኖም እተራእዩኹም ሰባት፡ ደብዳበ ኣትሒዘ ኽሰዶም እየ። 4ኣነውን ክኸይድ ዘድሊ እንተ ዀነ፡ ምሳይ ይኸዱ። 5ብመቄዶንያ ኽሓልፍ እየ እሞ፡ ብመቄዶንያ ምስ ሓለፍኩ፡ ናባኻትኩም ክመጽእ እየ። 6ናብቲ ክኸዶ ዝደሊ ምእንቲ ኸተሰንዩኒ፡ ምናልባሽ ምሳኻትኩም እጸንሕ ወይስ እኸርም እኸውን እየ። 7እግዚኣብሄር እንተ ፈቐዶ፡ ገለ ግዜ ምሳኻትኩም ክጸንሕ ተስፋ እገብር ኣሎኹ እሞ፡ ሕጅስ ከም ሓላፍ መገዲ ዀይነ ኽርእየኩም ኣይፈቱን እየ። 8-9ዓብይን ብርቱዕን ደገ ተኸፊቱለይ ኣሎ፡ ተጻረርቲ ኸኣ ብዙሓት እዮም እሞ፡ ክሳዕ በዓላት ሓምሳ ኣብ ኤፌሶን ክጸንሕ እየ።
10ጢሞቴዎስ እንተ መጸ ግና፡ ከምዚ ኸማይ ዕዮ ጐይታ ይዓዪ እዩ እሞ፡ ምሳኻትኩም ብዘይ ፍርሃት ክኸውን ተጠንቀቑሉ። 11ምስቶም ኣሕዋቱ እጽበዮ ኣሎኹ እሞ፡ ናባይ ምእንቲ ኽመጽእ፡ ብሰላም ኣፋንውዎ፡ ሓደ እኳ ኣይንዓቆ። 12ግናኸ ብዛዕባ ኣጵሎስ ሓውና ምስቶም ኣሕዋት ናባኻትኩም ኽመጽእ ብዙሕ ምዒደዮ እሞ፡ ሕጂ ኽመጽእ ከቶ ፍቓድ የብሉን፡ ምስ ጠዓሞ ግና ኽመጽእ እዩ።
13ንቕሑ፡ ኣብ እምነት ጽንዑ፡ ሰብኡት ኩኑ፡ በርትዑ። 14ኲሉ ግብርኹም ብፍቕሪ ይገበር።
15-16ኣሕዋተየ፡ ቤት እስጢፋኖስ እታ በዂሪ ኣካይያ ኸም ዝዀነት፡ ነፍሶምውን ንምግልጋል ቅዱሳን ከም ዝመደቡ፡ ትፈልጡ ኢኹም፡ ንስኻትኩም ከኣ ነዞም ከምዚኣቶም ዝበሉን ነቶም ምሳና ዝዓዩን ዝጽዕሩን ዘበሉ ኽትእዘዝዎም፡ እልምነኩም ኣሎኹ። 17ብምምጻእ እስጢፋኖስን ፈርጡናጦስን ኣካይቆስን ከኣ፡ ነቲ ኻባኻትኩም ዝጐደለ ንሳቶም መሊኦምዎ ኣለዉ እሞ፡ ባህ ይብለኒ ኣሎ። 18ንመንፈሰይን መንፈስኩምን ኣቕሲኖም እዮም እሞ፡ ነዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ ሰባት ፍለጥዎም።
19እተን ማሕበራት እስያ ሰላም ይብላኹም ኣለዋ። ኣኪላስን ጵርስኪላን ምስታ ኣብ ቤቶም ዘላ ማሕበር ኰይኖም፡ ብጐይታ ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ። 20ኲላቶም እቶም ኣሕዋት ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ። ብቕዱስ ምስዕዓም ንሓድሕድኩም ሰላም ተባሃሃሉ።
21እዛ ሰላምታ እዚኣ ኣነ ጳውሎስ ባዕለይ ብኢደይ ዝጸሓፍክዋ እያ። 22ንጐይታና ዘየፍቅሮ እንተሎ፡ ንሱ ርጉም ይኹን። ማራን ኣታ። 23ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምሳኻትኩም ይኹን። 24ብክርስቶስ የሱስ ፍቕረይ ምስ ኲላትኩም ይኹን። ኣሜን።
2ይቲ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቈረንቶስ
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
2ይ ቈረንቶስ ምዕራፍ 1
1ጳውሎስ፡ ብፍቓድ ኣምላኽ ሃዋርያ ክርስቶስ የሱስ፡ ጢሞቴዎስ ሓውናውን፡ ናብታ ኣብ ቈረንቶስ ዘላ ማሕበር ኣምላኽ ምስቶም ኣብ ብዘላ ኣካይያ ዘለዉ ዅላቶም ቅዱሳን፡ 2ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ካብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ንኣኻትኩም ይኹን።
3ኣምላኽ፡ ኣቦ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ኣቦ ምሕረትን ኣምላኽ ኵሉ ምጽንናዕን፡ ይባረኽ፡ 4በቲ ንርእስና ኻብ ኣምላኽ እንጸናንዓሉ ምጽንናዕ፡ ነቶም ኣብ ጸበባ ዘለዉ ዘበሉ ዅላቶም ከነጸናንዕ ምእንቲ ኽከኣለናስ፡ ብጸበባና ዘበለ ዘጸናንዓና ንሱ እዩ። 5ከምቲ ስቓይ ክርስቶስ ኣባና ዝዓዝዝ ዘሎ፡ ከምኡ ድማ ብክርስቶስ ዝዀነልና ምጽንናዕና ይዓዝዝ እዩ። 6ግናኸ እንተ ጸበበና እኳ፡ ንምጽንናዕኩምን ምድሓንኩምን እዩ። እንተ ተጸናናዕና ድማ፡ ነቲ ንሕናውን እንስቀዮ ዘሎና ስቓይ ብትዕግስትኹም ዝጋደል ምጽንናዕኩም እዩ። 7ከምቲ ተማቐልቲ ስቓይ፡ ከምኡ ኸኣ ተማቐልቲ ምጽንናዕ ከም ዝዀንኩም ፈሊጥና፡ ተስፋና ኣባካትኩም ጽንዕቲ እያ። 8ኣሕዋተየ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ እስያ ዝረኸበና ጸበባ፡ ህይወትና እኳ ኽሳዕ እንቐብጽ፡ ሓለፋ ዓቕምና እምብዛ ኸም ዝኸበደና፡ ክንሓብኣልኩም ኣይንፈቱን ኢና። 9ኣብቲ ንምዉታት ዘተንስእ ኣምላኽ እምበር፡ ኣብ ገዛእ ርእስና ምእንቲ ኸይንውከልሲ፡ ሞት ከም እተፈርደና ኣብ ውሽጥና ይስምዓና ነይሩ። 10ንሱ ኻብ ክንድዚ ዝኣክል ሞት ኣድሒኑና የድሕነና ድማ ኣሎ፡ ንዳሕራዩውን ከም ዘድሕነና፡ ብእኡ ተስፋ ንገብር ኣሎና። 11ንስካትኩም ከኣ ብጸሎትኩም ትድግፉና ኣሎኹም። ከምኡውን ሳላ እቲ ብብዙሓት ሰባት ዝረኸብናዮ ውህበት ጸጋ ብዙሓት ሰባት ብዛዕባና ኸመስግኑ እዮም።
12ትምክሕትና፡ ብጥበብ ስጋ ዘይኰነስ፡ ብጸጋ ኣምላኽ ከም እተመራሕና፡ ንሕና ኣብዛ ዓለም እዚኣ፡ ምናዳ ኣባካትኩም፡ ብቕድስና ኣምላኽን ንጽህናኡን ከም እተመላለስና፡ እዚ ናይ ሕሊናና ምስክር እዩ። 13-14ብዘይ እቲ እተንብብዎን ወይስ እተስተውዕልዎን ካልእ ኣይንጽሕፈልኩምን ኢና እሞ፡ ከምቲ ንሕና ትምክሕትኹም ምዃንና ብሓደ ወገኑ ኣስተውዒልኩምና ዘሎኹም፡ ከምኡውን ንስካትኩም ብመዓልቲ ጐይታና የሱስ ትምክሕትና ኸም እትዀኑ፡ ክሳዕ መወዳእታ ድማ ከም እተስተውዕልዎ፡ ተስፋ እገብር ኣሎኹ።
15ካዕበት ጸጋ ምእንቲ ኽትረኽቡ ኸኣ፡ በዚ ተኣሚነ ቕድም ናባኻትኩም ክመጽእ ደሌኹ፡ 16ብኣኻትኩም ኣቢለ ኸኣ ናብ መቄዶንያ ኽሓልፍ፡ ከም ብሓድሽ ድማ ካብ መቄዶንያ ናባኻትኩም ክመጽእ እሞ ንስካትኩም ናብ ይሁዳ ኸተፋንዉኒ ደሌኹ። 17እምብኣርሲ እዚ ምስሓሰበኩ፡ ብቕለት ደዀን ገይረዮ እኸውን፧ ወይስ ኣባይ፡ እወ፡ እወ ኣይኰነን ኣይኰነን፡ ምእንቲ ክኸውንሲ፡ እቲ ዝመኽሮ ደዀን ከም ስጋ ገይረ መኺረዮ ዀይነ፧ 18-19እቲ ብኣና፡ ማለት ብኣይን ስልዋኖስን ጢሞቴዎስን፡ ኣብ ማእከልኩም እተሰብከ ወዲ ኣምላኽ፡ የሱስ ክርስቶስ፡ ብእኡ እወ እምበር፡ እወን ኣይኰነን ኣይነበረን እሞ፡ ኣምላኽ እሙን ከም ዝዀነ፡ እቲ ንኣኹም ዝነገርናዮ ቓል፡ እወን ኣይኰነን፡ ኣይነበረን። 20ተስፋ ኣምላኽ ዘበለስ ኣብኡ እወ እዩ፡ ስለዚ ኸኣ ኣምላኽ ብኣና ምእንቲ ክኸብርሲ፡ ብእኡ ኣሜን እዩ። 21-22ግናኸ እቲ ብክርስቶስ ገይሩ ምሳኻትኩም ዘጽንዓናን ዝቐብኣናን እቲ ዝሓተመናን ኣብ ልብናውን ዕርቡን መንፈስ ዝሃበና ኣምላኽ ንሱ እዩ።
23ግናኸ እቲ ናብ ቈረንቶስ ገና ዘይምምጽአይ ምእንቲ ንምስክር ኢለ ኸም ዝዀንኩ፡ ኣምላኽ ንምስክር ኣብ ነፍሰይ እጽውዕ ኣሎኹ። 24ብእምነት ቌምኩም ኣሎኹም እሞ፡ ደገፍቲ ሓጐሰኹም ደኣ ኢና እምበር፡ ኣብ ልዕሊ እምነትኩም ክንጕይተት ኣይኰንናን።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
2ይ ቈረንቶስ ምዕራፍ 2
1ከም ብሓድሽ ድማ ብጓሂ ናባኻትኩም ከይመጽእ፡ እዚ ብርእሰይ መደብክዎ። 2ማለት፥ ኣነ እንተ ኣጕሀኹኹምሲ፡ እቲ ብኣይ ምኽንያት ዝጐሃየ እንተ ዘይኰይኑ ደኣ፡ መን እዩ ዘሐጕሰኒ፧ 3ሓጐሰይ ሓጐስ ኵላቶም ከም ዝዀነ ብዅላትኩም እናተኣመንኩ፡ ካብቶም ሓጐስ ክረኽበሎም ዝግባኣኒ፡ ክመጽእ ከሎኹ ጓሂ ምእንቲ ኸይረክብ እየ እዚ ዝጸሓፍኩልኩም። 4እቲ ዘፍቅረኩም ፍቕረይ ኣዝዩ ብሉጽ ምዃኑ ምእንቲ ኽትፈልጡ እምበር፡ ብብዙሕ ጸበባን ጭንቀት ልብን ብዙሕ እናነባዕኩ ዝጸሓፍኩልኩም፡ ምእንቲ ኸጕህየኩም ኢለ ኣይኰንኩን።
5ሓደ ሰብ ዝጕሃየ እንተሎ ግና፡ እምብዛ ኸየኽብደሉ፡ ብሓደ ወገኑስ ንዅላትኩም እምበር፡ ንኣይ ኣይኰነን ዝጕሃየ። 6ነዚ ኸምዚ ዝበለ እቲ ካብቶም ብዙሓት ዝረኽቦ መግናሕቲ ይኣኽሎ። 7እምብኣርሲ ነዚ ኸምዚ ዝበለ፡ ምናልባሽ ብብዝሒ ጓሂ ኸይውሓጥ፡ ይቕረ ደኣ በሉሉን ኣጸናንዕዎን። 8-9ብዅሉ ነገር እዙዛት እንተ ዄንኩም ፍቱናት ምዃንኩም ምእንቲ ኽፈልጥ እየ ዝጸሓፍኩልኩም። ስለዚ ኸኣ ፍቕርኹም ከተጽንዑሉ እምዕደኩም ኣሎኹ። 10-11ግናኸ ሰይጣን ከይብለጸልና፡ ውዲቱ ኣይንስሕቶን ኢና እሞ፡ ኣነ ንገለ ይቕረ ኢለ እንተ ዀይነ፡ ብዛዕባኹም ኣብ ቅድሚ ክርስቶስ ይቕረ ኢለ እየ፡ እምብኣርሲ ነቲ ይቕረ እትብሉሉ ኣነውን ይቕረ እብለሉ ኣሎኹ።
12ወንጌል ክርስቶስ ምእንቲ ኽምህር ኢለ ናብ ጥሮኣስ ምስ መጻእኩ ግና፡ ደገውን ብጐይታ ተኸፊቱለይ ከሎስ፡ 13ንቲቶስ ሓወይ ስለ ዘይረኽብክዎ፡ ንሳቶም ኣሰንዮምኒ ናብ መቄዶንያ ወጻእኩ እምበር፡ ኣብ መንፈሰይ ዕረፍቲ ኣይነበረን። 14ግናኸ ነቲ ብክርስቶስ ኵሉ ሳዕ ናብ ዓወት ዝመርሓና፡ ብኣናውን መኣዛ ፍልጠቱ ኣብ ኵሉ ቦታ ዝገልጽ ኣምላኽ፡ ስብሓት ይኹኖ። 15ማለት፥ ኣብ ማእከል እቶም ዝድሕኑን እቶም ዝጠፍኡን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ መኣዛ ክርስቶስ ኢና፡ 16ነዚኣቶም ካብ ሞት ናብ ሞት፡ ነቲኣቶም ግና ካብ ህይወት ናብ ህይወት ዘብጽሕ ሽታ ኢና። ነዚ ኽእለት ዘለዎ መን እዩ፡ 17ብኣምላኽ ተደሪኽና ብገርህነት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብክርስቶስ ኴንና ንዛረብ ኣሎና እምበር፡ ከምቶም ብዙሓት ንቓል ኣምላኽ ዝሓዋውሱ ኣይኰንናን።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
2ይ ቈረንቶስ ምዕራፍ 3
1ከም ብሓድሽዶ ንርእስና ኸነማዕቍብ ንጅምር ኣሎና፡ ወይስ ከምቶም ገሊኦምዶ እተማዕቍበና ደብደበ ናባኻትኩም ወይስ ካባኻትኩም ተድልየና እያ፡ 2ኣብ ልብና እተጻሕፈት፡ ኵሉ ሰብ ዝፈልጣን ዘንብባን ደብዳቤና ንስካትኩም ኢኹም። 3ንስካትኩም ብመንፈስ ህያው ኣምላኽ እምበር፡ ብቐለም ዘይተጻሕፈት ኣብ ልቢ ስጋ እምበር፡ ኣብ ጽላት እምኒ ዘይተጻሕፈት ብምግልጋልና ደብደበ ክርስቶስ ምዃንኩም ግሁድ እዩ።
4ብክርስቶስ ግና ኣብ ኣምላኽ ከምዚ ዝበለ እሙንቶ ኣላትና፡ 5ክእለትና ኻብ ኣምላኽ ደኣ እዩ እምበር፡ ካብ ርእስና ገለ ኸም ዘምጻእና፡ ሓንቲ እኳ ክንሓስብ ኣይከኣለናን እዩ። 6ፊዴል ይቐትል፡ መንፈስ ግና ህያው ይገብር እዩ እሞ፡ ንሱ ኸኣ ንናይ መንፈስ እምበር፡ ንናይ ፊዴል ዘይኰነ ኣገልገልቲ ሓድሽ ኪዳን ክንከውን ከኣልቲ ገበረና። 7ግናኸ እቶም ደቂ እስራኤል ብምኽንያት እቲ ሓላፊ ዝዀነ ኽብሪ ኽነሱ፡ ምጥማት እቲ ገጽ ሙሴ ኽሳዕ ዚስእኑ፡ እታ ብፊዴላት ኣብ ኣእማን እተቐርጸት ኣገልግሎት ሞት ብኽብሪ ካብ መጸትሲ፡ 8ክንደይ ደኣ ግዳ እታ ኣገልግሎት መንፈስ ብኽብሪ ብልጽቲ ዘይትኸውን፡ 9እታ ኣገልግሎት ኵነኔ ኻብ እትኽበር፡ ክንደይ ግዳ እታ ኣገልግሎት ጽድቂ ብኽብሪ ዘይትዓዝዝ፧ 10-11እታ ሓላፊት ብኽብሪ ኻብ መጸት፡ እታ ነባሪት ግዳ ክንደይ ኣዝያ ብኽብሪ ዘይትበልጽ እሞ፡ በዚ ወገን እዝስ እታ ኽብርቲ እኳ ብምኽንያት እቲ ዝዓዛ ኽብሪ ኽብርቲ ኣይኰነትን።
12እምብኣርሲ ከምዚ ዝበለት ተስፋ ስለ ዘላትና፡ ብብዙሕ ትብዓት ንዛረብ ኣሎና፡ 13ከምቲ ደቂ እስራኤል መወዳእታ እቲ ሓላፊ ከይርእዩ፡ ሙሴ ኣብ ገጹ ጕልባብ ዝገብር ዝነበረ፡ ኣይንገብርን ኢና። 14ግናኸ ኣብቲ ብሉይ ኪዳን ከንብቡ ኸለዉ፡ እቲ ብክርስቶስ እተቐንጠጠ መጋረጃ ክሳዕ ሎም መዓልቲ ኣይተቐልዓሎምን እሞ፡ ሓሳቦም ደንዚዙ ኣሎ። 15ክሳዕ ሎሚ ንሙሴ እናኣንበብዎ፡ እቲ መጋረጃ ኣብ ልቦም ዝርጉሕ ኣሎ። 16ናብ ጐይታ ምስ ተመልሱ ግና፡ እቲ መጋረጃ ክቕንጠጥ እዩ። 17ጐይታስ መንፈስ እዩ፡ ኣብቲ መንፈስ ጐይታ ዘለዎ ድማ፡ ኣብኡ ሓርነት ኣሎ። 18ንሕና ዅላትና ግና ብቕሉዕ ገጽ ነቲ ኽብሪ ጐይታ ኸም ብመስትያት ጌርና እናጠመትናዮ፡ ከም ካብ መንፈስ ጐይታ ኻብ ክብሪ ናብ ክብሪ ናብቲ ምስሊ ኣርኣያኡ ንልወጥ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
2ይ ቈረንቶስ ምዕራፍ 4
1-2ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንሕሊና ዅሉ ሰብ ነታ ሓቂ እናገለጽናሉ፡ ነፍስና ነዕቍብ እምበር፡ ብተንኰል ከይተመላለስና፡ ንቓል ኣምላኽውን ሓሳዊ ኸይገበርናዮ፡ ነቲ ናይ ነውሪ ሕቡእ ነገር ሓዲግና ኣሎና። ስለዚ ምሕረት ከም ዝወረደና፡ እዛ ኣገልግሎት እዚኣ ኻብ እትህልወና፡ ኣይንሕለልን ኢና። 3እቲ ወንጌልና ስዉር እንተ ዀነ ኸአ፡ ኣብቶም ዝጠፍኡ እዩ እተሰወረ። 4እቲ ብርሃን ወንጌል ናይ ክብሪ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ ምስሊ ኣምላኽ፡ ምእንቲ ኸየብርሃሎምሲ፡ ኣምላኽ እዛ ዓለም እዚኣ ንሓሳብ እቶም ዘይኣምኑ ኣዖሮ። 5ማለት፥ ክርስቶስ የሱስ ከም ጐይታ፡ ንርእስና ግና ምእንቲ የሱስ ከም ግዙኣትኩም ጌርና እምበር፡ ርእስና ኣይኰንናን እንሰብኽ ዘሎና። 6እቲ፡ ካብ ጸልማትሲ ብርሃን ይብራህ፡ ዝበለ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ንብርሃን ፍልጠት ናይ ኣምላኽ ክብሪ ብገጽ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ልብና ኣብርሆ።
7ግናኸ እቲ ማእለያ ዘይብሉ ሓይሊ ካብ ኣምላኽ እምበር፡ ካባና ምእንቲ ኸይከውን፡ እዚ መዝገብ እዚ ኣብ ኣቕሓ መሬት እዩ ዘሎና። 8ብዅሉ ወገን ንጽቀጥ፡ ግናኸ ኣይጸበናን፡ እንገብሮ ይጠፍኣና፡ ግናኸ ተስፋ ኣይንቐብጽን ኢና፡ 9ንስጐጕ፡ ድርቡያት ግና ኣይኰንናን። ይደፍኡና፡ ግናኸ ኣይንጠፍእን ኢና። 10ህይወት የሱስ ኣብ ስጋና ምእንቲ ኽትግሃድውን ኵሉ ሳዕ ሞት የሱስ ኣብ ስጋና ንጸውር ኣሎና። 11ማለት፥ እታ ህይወት የሱስ ኣብቲ መዋቲ ስጋና ምእንቲ ኽትግሃድሲ፡ ንሕና ብህይወት ዘሎና ምእንቲ የሱስ ኢልና ዅሉ ሳዕ ናብ ሞት የሕልፉና ኣለዉ። 12እምብኣርሲ ሞት ኣባና ይዓዪ፡ ህይወት ግና ኣባኻትኩም ትዓዪ ኣላ። 13-14ግናኸ እቲ ንጐይታና የሱስ ዘተንስኦ ንኣናውን ምስ የሱስ ከም ዘተንስኣና እሞ ምሳኻትኩም ኣብ ቅድሚኡ ኸም ዘቝመና እናፈለጥና፡ ከምቲ፡ ኣሚነ ስለዚ ተዛረብኩ፡ ዝብል ጽሑፍ ዘሎ፡ እቲ ሓደ መንፈስ እምነት ካብ ዝህልወና፡ ንሕና ድማ ንኣምን፡ ስለዚውን ንዛረብ ኣሎና። 15እቲ በቶም ብዙሓት እምብዛ ዝበዝሐ ጸጋ፡ ንኽብሪ ኣምላኽ ምስጋና ምእንቲ ኽዓዝዝ፡ ኵሉ ዝኸውን ዘሎ ምእንታኹም እዩ።
16-17እቲ ሽዓ ዝሓልፍን ቀሊልን ጸበባና ማእለያ ዘይብሉ ብሉጽ ናይ ዘለኣለም ምሉእ ረዚን ክብሪ የዳልወልና እዩ እሞ፡ እቲ ናይ ወጻኢ ሰብና እንተ በስበሰ እኳ፡ እቲ ውሽጥና ኣብ ጸጽባሕ ይሕደስ ኣሎ፡ ስለዚ ኣይንሕለልን ኢና። 18እቲ ዝርኤ ንግዜኡ እዩ፡ እቲ ዘይርኤ ግና ንዘለኣለም እዩ እሞ፡ ንሕና ነቲ ዘይርኤ እምበር፡ ነቲ ዝርኤ ኣይንጥምትን ኢና።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
2ይ ቈረንቶስ ምዕራፍ 5
1እዛ ምድራዊት ናይ ድንኳን ቤትና እንተ ፈረሰት እኳ፡ ሓንቲ ህንጻ ካብ ኣምላኽ፡ ብኢድ ዘይተገብረት ናይ ዘለኣለም ቤት ኣብ ሰማያት ከም ዘላትና፡ ንፈልጥ ኢና። 2-3ምንም እኳ ልቡሳት እንተ ዀንና፡ ዕሩቓት ኴንና ኸይንርከብ፡ እታ ሰማያዊት ቤትና ኽንለብስ እናናፈቕና፡ ኣብዚ ንደፋነቕ ኣሎና። 4ንሕና ኣብዚ ድንኳን እዚ ኸሎናስ፡ እቲ መዋቲ ብህይወት ምእንቲ ኽውሓጥ፡ ኣብ ልዕሊኡ ኽንለብስ እምበር፡ ክንቅንጠጥ ስለ ዘይንፈቱ፡ ከቢዱና ነስቈርቍር ኣሎና። 5ግናኸ እቲ ነዚ ዘዳለወና፡ ዕርቡን መንፈስ ከኣ ዝሃበና፡ ኣምላኽ እዩ።
6-7ስለዚ ዅሉ ሳዕ እሙንቶ ኣላትና፡ ብእምነት እምበር፡ ብምርኣይ ኣይኰንናን እንመላለስ ዘሎና እሞ፡ ኣብ ስጋ ሰፊርና ኸሎና፡ ካብ ጐይታ ርሑቓት ከም ዝዀንና፡ ንፈልጥ ኢና። 8ግናኸ እሙንቶ ኣላትና፡ ካብ ስጋ ግዒዝና ምስ ጐይታ ኽንነብርውን፡ ባህጊ ኣሎና። 9-10ነፍሲ ወከፍና ነቲ ብስጋኡ ኸሎ ዝገብሮ፡ ሰናይ ኰነ ወይስ እከይ፡ ምእንቲ ክቕበል፡ ኵላትና ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ክርስቶስ ብግዲ ኽንግሃድ ኢና። ስለዚ ድማ ኣብ ስፍራና እንተ ኣሊና ወይስ ኣብ ወጻኢ፡ ንእኡ ኸነሐጕሶ ንጽዕት ኣሎና።
11እምብኣርሲ ፍርሃት እግዚኣብሄር ፈሊጥና፡ ንሰብ ነረድኦም ኣሎና፡ ንሕና ግና ንኣምላኽ ግሁዳት ኢና፡ ኣብ ሕሊናኹም ከም እተገሃድናውን ተስፋ እገብር ኣሎኹ። 12ነቶም ብገጽ እምበር፡ ብልቢ ዘይኰነ፡ ዝምክሑ ምላሽ እትመልሱሎም ምእንቲ ክህልወኩም፡ ብኣና ኽትምክሑ ምኽንያት ንህበኩም ኣሎና እምበር፡ ከም ብሓድሽ ርእስና ኸነማዕቍበኩም ኣይኰንናን። 13-14እምብኣርከ ሓደ በጃ ዅሉ ሞተ፡ ስለዚ ዅላቶም ሞቱ፡ ካብ እንብልሲ፡ ፍቕሪ ክርስቶስ ደሪኹና እዩ እሞ፡ እንተ ተጸለልና፡ ንኣምላኽ፡ ምስ ቀልብና እንተ ዀንናውን፡ ንኣካትኩም ኢና። 15ድሕሪ ሕጂ እቶም ዘለዉ ነቲ ምእንትኦም ዝሞተን ዝተንስኤን እምበር፡ ንርእሶም ምእንቲ ኸይነብሩ፡ ንሱ ኣብ ክንዲ ዅላቶም ሞተ። 16ደጊም ካብ ሕጂ ብመገዲ ስጋ ንሓደ እኳ ኣይንፈልጦን ኢና፡ ንክርስቶስ ከኣ ምንም እኳ ብመገዲ ስጋ ፈሊጥናዮ እንተ ዀንና፡ ሕጂ ኸምኡ ጌርና ኣይንፈልጦን ኢና። 17ስለዚ ሓደ እኳ ብክርስቶስ እንተ ኣልዩ፡ ንሱ ሓድሽ ፍጥረት እዩ፡ እቲ ብሉይ ሓሊፉ፡ እንሆ፡ ኵሉ ሓድሽ ኰይኑ። 18እዚ ዅሉውን ካብቲ ባዕሉ ብክርስቶስ እተዓርቀና፡ ኣገልግሎት ዕርቂውን ዝሃበና ኣምላኽ እዩ። 19ማለት፥ ኣምላኽ ንዓለም ምስ ርእሱ ኽዓርቃ ኸሎ፡ ኣብ ክርስቶስ ነበረ እሞ፡ በደሎም ኣይሓዘሎምን፡ ኣባና ኸኣ ቃል ዕርቂ ኣንበረ።
20-21ስለዚ ንሕና ኣብ ክንዲ ክርስቶስ ልኡኻት ኢና እሞ ኣምላኽ ብኣና ገይሩ ይምዕድ ኣሎ። ንሕና ብእኡ ጽድቂ ኣምላኽ ምእንቲ ኽንከውን፡ ነቲ ሓጢኣት ዘይፈለጠ ኣብ ክንዳና ሓጢኣት ገበሮ። ምስ ኣምላኽ ተዓረቑ፡ እናበልና ኣብ ክንዲ ክርስቶስ ኴንና ንልምነኩም ኣሎና።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
2ይ ቈረንቶስ ምዕራፍ 6
1ጸጋ ኣምላኽ ንኸንቱ ኸይትቕበሉ፡ ንሕና መዓይይቲ ዄንና፡ ንምዕደኩም ኣሎና። 2ብቕብልቲ ግዜ ሰማዕኩኻ፡ ብመዓልቲ ምድሓን ከኣ ረዳእኩኻ፡ ይብል እዩ እሞ፡ እንሆ፡ እታ ቕብልቲ ግዜ ሕጂ እያ፡ እንሆ፡ እታ መዓልቲ ምድሓን ሕጂ እያ።
3ኣገልግሎትና ምእንቲ ኸይጽረፍ፡ ንሓደ እኳ ብገለ መዓንቀፊ ከቶ ኣይንህብን ኢና። 4ብዅሉ ኸም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ርእስና ነርኢ ኣሎና እምበር፡ ብብዙሕ ትዕግስቲ፡ ብመከራ፡ ብጭንቀት፡ ብጸበባ፡ 5ብመውቃዕቲ፡ ብማእሰርቲ፡ ብጋሮ፡ ብጻዕሪ፡ ብምንቃሕ፡ ብጾም፡ 6ብንጽህና፡ ብፍልጠት፡ ብዓቕሊ፡ ብለውሃት፡ ብቕዱስ መንፈስ፡ ተጒላባ ብዘይብላ ፍቕሪ፡ 7ብቓል ሓቂ፡ ብስልጣን ኣምላኽ፡ በጽዋር ጽድቂ ብየማነ ጸጋም፡ 8ብኽብርን ሕስራንን፡ ብኽፉእ ወረን ጽቡቕ ወረን፡ ከም መስሓትቲ፡ ግናኸ ሰብ ሓቂ ኢና፡ 9ከም ዘይተፈለጥና፡ ግናኸ ኣጸቢቕና ፍሉጣት ኢና፡ ከም ዝሞትና፡ እንሆ ኸኣ፡ ህያዋን ኢና፡ ከም ቅጹዓት፡ ንሞት ግና ኣይተወፌናን፡ 10ከም ጕሁያት፡ ግናኸ ኵሉ ሳዕ ሕጉሳት ኢና፡ከም ድኻታት፡ ንብዙሓት ግና ነጸጉ ኢና፡ ኵሉ ኸሎናስ፡ ሓንቲ ኸም ዘይብልና ኴንና ንርኤ ኣሎና።
11ኣቱም ሰብ ቈረንቶስ፡ ኣፍና ንኣካትኩም ክፉት እዩ፡ ልብናውን ገፍሐ። 12ኣብ ልብኹም ደኣ እዩ ዝጸበኩም እምበር፡ ኣባናስ ኣይጸበኩምን እዩ። 13ግናኸ ውሬታ ኽትመልሱ፡— ከም ንውሉደይ ዝዛረብ ኰይነ እዛረብ ኣሎኹ፡— ንስኻትኩም ውን ልብኹም ኣግፍሑ።
14ምስቶም ዘይኣምኑ ኣብ ሓደ ኣርዑት ኣይትጸመዱ። ማለት፥ ንጽድቅን ሓጢኣትን እንታይ ኣራኺብዎ፧ ወይስ ንብርሃን ምስ ጸልማት እንታይ ሕብረት ኣልይዎ፧ 15ክርስቶስከ ምስ ብልያል እንታይ ምስምማዕ ኣለዎ ወይስ ንኣማኒ ምስ ዘይኣማኒ እንታይ ግደ ኣለዎ፡ 16ንመቕደስ ኣምላኽከ ምስ ጣኦታት እንታይ ስምምዕ አለዎ፡ ኣምላኽ፡ ኣባታቶም ክነብር ኣባታቶምውን ክመላለስ እየ፡ ኣነ ኣምላኾም ክኸውን እየ፡ ንሳቶምውን ህዝበይ ክዀኑ እዮም፡ ከም ዝበለ፡ ንሕና ቤተ መቕደስ ህያው ኣምላኽ ኢና። 17ስለዚ፡ ካብ ማእከሎም ውጹን ተፈለዩን ርኹስ ኣይትተንክዩን፡ ኣነውን ክቕበለኩም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ 18ኣቦ ድማ እዀነኩም፡ ንስኻትኩምውን ኣወዳትን ኣዋልድን ክትኰኑኒ ኢኹም፡ ይብል እቲ ዅሉ ዝከኣሎ ጐይታ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
2ይ ቈረንቶስ ምዕራፍ 7
1እምብኣርከ፡ ኣቱም ፍቁራተይ፡ እዚ ተስፋታት እዚ ካብ ዝህልወናስ፡ ብፍርሃት ኣምላኽ ቅድስና እናመላእና፡ ካብቲ ስጋን መንፈስን ዘርክስ ዘበለ ዅሉ ርእስና ነንጽህ።
2ኣብ ልብኹም ስፍራ ኣርሕቡልና፡ ንሕና ንሓደ እኳ ኣይዓመጽናን፡ ንሓደ እኳ ኣይጐዳእናን፡ ንሓደ እኳ ኣይተበለጽናሉን። 3ምሳና ንሙማት ብህይወት ንምንባርን ኣብ ልብና ኸም ዘሎኹምሲ፡ ቅድሚ እዚ ኢለ ኣሎኹ እሞ፡ እዚ ዝብሎ ዘሎኹ ንበይንኹም ኣይኰንኩን። 4ኣባካትኩም ብዙሕ ትብዓት ኣሎኒ፡ ትምክሕተይ ብኣካትኩም ዓብዪ እዩ። ብምጽንናዕ መሊአ ኣሎኹ፡ ብጸበባና ዘበለ ዅሉውን ሓጐሰይ ዕዙዝ እዩ።
5ናብ መቄዶንያ ምስ በጻሕና ድማ፡ ካብ ወጻኢ ውግእ፡ ኣብ ውሽጢውን ፍርሃት ነበረና እሞ፡ ብዅሉ ጨነቐና እምበር፡ ስጋና እኳ ዕረፍቲ ኣይረኸበን። 6እቲ ንጥቑዓት ዘጸናንዕ ኣምላኽ ግና ብምምጻእ ቲቶስ ገይሩ ኣጸናንዓና። 7ግናኸ ንሱ ናፍቖትኩምን ብኽያትኩምን ቅንኣትኩምን ምእንታይ ምስ ኣዘንተወልና፡ በቲ ንሱ ብኣኻትኩም እተጸናንዖ ምጽንናዕ ድማ እምበር፡ ብምምጽኡ ጥራይ ኣይኰንኩን ኣዝየ እተሓጐስኩ። 8በታ ደብደበይ ኣጕህየኩም እንተ ዀንኩ እኳ፡ ተጥዒሰ ኽነሰይ ኣይጠዓስን እየ። እታ ደብደበ እቲኣ፡ ንግዜኡ ጥራይ እንተ ዀነ እኳ፡ ከም ዘጕሃየትኩም እርኢ ኣሎኹ እሞ፡ 9ካባና ገለ ጕድኣት ምእንቲ ኸይትረክቡስ፡ ከም ፍቓድ ኣምላኽ ኢኹም ዝጐሀኹም፡ ንንስሓ ስለ ዝጕሀኹም እምበር፡ ሕጂ ስለ ዝጕሀኹም ኣይኰንኩን ዝሕጐስ ዘሎኹ። 10ማለት፥ ጓሂ ኸም ፍቓድ ኣምላኽሲ ንምድሓን ዝኸውን ዘይትጠዓሰሉ ንስሓ የምጽእ፡ ጓሂ ዓለም ግና ሞት እዩ ዘምጽእ። 11እንሆ፡ እዚ ኸም ፍቓድ ኣምላኽ ዝጕሀኹምዎ ኽንደይ ጸዓት ዘየምጽኣልኩም፡ ክንደይ ምምጽራይ፡ ክንደይ ምንጽርጻር፡ ክንደይ ፍርሃት፡ ክንደይ ናፍቖት፡ ክንደይ ቅንኣት፡ ክንደይ መግናሕቲ ዘየምጽኣልኩም። በዚ ነገርዚ ብኵሉ ንጹሃት ምዃንኩም ርእስኹም ኣርኤኹም።
12እምብኣርሲ እንተ ጸሓፍኩልኩም ከኣ፡ እቲ ጸዓትኩም ስሌና ኣባኻትኩም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ምእንቲ ክግሃድ እምበር፡ ስለ በዳሊ ወይስ ስለ ተበዳሊ ኢለ ኣይኰንኩን ዝጸሓፍኩ። 13ስለዚ ድማ ተጸናናዕና። ኣብ ርእሲ እዚ ምጽንናዕና ድማ ብሓጐስ ቲቶስ፡ መንፈሱ ብዅላትኩም ስለ ዝቐሰነ፡ ብዙሕ ኣዚና ተሓጐስና። 14ኣብ ቅድሚኡ ብዛዕባኹም ብገለ ተመኪሐ እንተ ዀንኩ እኳ፡ ከምቲ ዅሉ ብሓቂ ዝነገርናኩም፡ ከምኡውን እቲ ትምክሕና ኣብ ቅድሚ ቲቶስ ሓቂ ዀይኑ ተረኺቡ እዩ እሞ፡ ኣይሓፈርኩን። 15ከመይ ጌርኩም ብፍርሃት ራዕራዕ ብምባልን ከም እተቐበልኩምዎ፡ ምእዛዝ ኵላትኩም እናዘከረ፡ ልቡ ኣዝዩ ናባካትኩም ኣቕሊቡ ኣሎ። 16ብዅሉ ኣባኻትኩም እሙንቶ ኣላትኒ እሞ ሕጕስ እየ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
2ይ ቈረንቶስ ምዕራፍ 8
1ኣሕዋተየ፡ እቲ ኣብተን ማሕበራት መቄዶንያ እተዋህበ ጸጋ ኣምላኽ ነፍልጠኩም ኣሎና፡ 2-3ከም ዓቕሞምን ሓለፋ ዓቕሞምን ባዕላቶም ፈትዮም ከም ዝሃቡ፡ እምስክረሎም ኣሎኹ እሞ፡ ብብዙሕ ጸበባ ተመኪሮም፡ ሓላፋ ሓጐሶምን ጥልቂ ዝዀነ ድኽነቶምን ንምብዛሕ ልግሶም ኣዝዩ ዓዘዘ። 4ነዚ ጸጋ እዝን ንሕብረት ምግልጋል ቅዱሳንን ብብዙሕ ልማኖ እናለመኑና፡ 5ብፍቓድ ኣምላኽ ቅድም ንጐይታ ድሕሪኡ ኸኣ ንኣና ርእሶም ወፈዩ እምበር፡ ከምቲ ንሕና ተስፋ ዝገበርናዮ ጥራይ ኣይኰነን እሞ፡ 6ንቲቶስ፡ ከምቲ ቕድም ዝጀመሮ ኸምኡ ኸኣ እዚ ጸጋ እዚ ኣባካትኩምውን ክፍጽም፡ ምዒድናዮ ኣሎና። 7ግናኸ ብዅሉ፡ ብእምነትን ብቓልን ብፍልጠትን ብጸዓት ዘበለን ብፍቕርኹም ንኣናውን ከም ዝዓዘዝኩም፡ በዚ ጸጋ እዚ ኸኣ ዕዙዛት ንምዃን ተጠንቀቑ። 8እዚ ዝብለኩም ዘሎኹ ኸኣ ብጸዓት እቶም ካልኦት ነቲ ምጽራይ ፍቕርኹም ምእንቲ ኽዕዘብ እየ እምበር፡ ከም ትእዛዝ ገይረ ኣይኰንኩን። 9ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ትፈልጡ ኢኹም እሞ፡ ንስካትኩም በቲ ድኽነቱ ምእንቲ ኽትህብትሙ፡ ሃብታም ክነሱስ፡ ምእንታኻትኩም ደኸየ። 10እዚ ይጠቕመኩም እዩ እሞ፡ በዚ ድማ ምኽሪ እህበኩም ኣሎኹ፡ ንስካትኩም ንፍቓድ ድማ እምበር፡ ንምግባር ጥራይ ኣይኰንኩምን ካብ ዓሚ ሒዝኩም ቅድም ዝጀመርኩም። 11ሕጂ ኸኣ ከምቲ ንፍቓድ ተዳሊኹም ዝነበርኩምዎ፡ ከምኡ ጌርኩም ከም ዓቕምኹም ንምፍጻምውን ብግብሪ ፈጽሙ። 12ፍቓድ ልቢ እንተ ኣልዩስ፡ በቲ ዘለዎ መጠን ቅቡል እዩ እምበር፡ ብዘይብሉ ኣይኰነን። 13ምእንቲ ማዕረ ማዕረ ክኸውን ማለተይ እየ እምበር፡ ንኻልኦትን ራህዋ፡ ንኣኻትኩምን ጸበባ ምእንቲ ክኸውን ኢለ ኣይኰንኩን። 14-15ከመዮ፡ ብዙሕ ዝኣከበ ኣየትረፈን፡ ሒደት ዝኣከበውን ኣየጕደለን፡ ዝብል ጽሑፍ ዘሎ፡ ኣብዚ ዘመን እዚ ሕጂ እቲ ተረፍኩም ነቲ ጐደሎኦም ክምልእ፡ እቲ ተረፎም ከኣ ነቲ ጐደሎኹም ክምልእ፡ እሞ ማዕረ ማዕረ ምእንቲ ክኸውን እየ እዚ ዝብል ዘሎኹ።
16-17ግናኸ ቲቶስ ምዕዶና ሰሚዑ፡ በዓል ጸዓት ኰይኑ እዩ ብገዛእ ፍቓዱ ናባካትኩም ዝኸደ እሞ፡ ስለዚ ነቲ ምእንታኹም ኢሉ፡ ኣብ ልቢ ቲቶስ እዛ ጸዓት እዚኣ ዘሕደረ ኣምላኽ ስብሓት ይኹኖ። 18ምስኡውን ነቲ ኣብ ኵላተን ማሕበራት ብወንጌል እተናእደ ሓዉ ሰዲድና ኣሎና። 19እግዚኣብሄር ምእንቲ ክኸብርን፡ ፍቓድ ልብና ምእንቲ ኽርአን በቲ ንሕና እነገልግሎ ዘሎና ጸጋ ንሱ ምሳና ኽዘውር ኢለን፡ እተን ማሕበራት ሓረያኦ እምበር፡ እዚ ጥራይ ኣይኰነን። 20-21ኣብ ቅድሚ ሰብ ከኣ እምበር፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ጥራይ ዘይኰነ፡ ንሰናይ ዘበለ ኢና እንሓሊ ዘሎና እሞ፡ ብዛዕባ እቲ ብኣገልግሎትና እተዋጽአ ብርኩት ገንዘብ ሓደ እኳ ምእንቲ ኸይነቕፈና፡ ንጥንቀቐሉ ኣሎና። 22ብዙሕ ሳዕን ብብዙሕ ነገርን ጸዓት ከም ዘለዎ ዝመርመርናዮ፡ ሕጂውን ኣባኻትኩም ብዙሕ እምነት ስለ ዘለዎ፡ እቲ በዓል ዓብዪ ጸዓት ሓውና ምሳታቶም ሰዲድናዮ ኣሎና። 23ብዛዕባ ቲቶስ እንተ ዀነ ኸኣ፡ ንኣይ ብጻየይ ኣባካትኩምውን መዓይይተይ እዩ፡ እቶም ኣሕዋትና እንተ ዀኑውን፡ ልኡኻት ማሕበርን ክብሪ ክርስቶስን እዮም። 24እምብኣርሲ ምግሃድ ፍቕርኹምን ትምክሕትና ብኣኻትኩምን ኣብ ቅድሚ እተን ማሕበራት ንኣታቶም ኣርእይዎም።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
2ይ ቈረንቶስ ምዕራፍ 9
1-2ኣካይያ ካብ ዓሚ ጀሚራ ኸም እተዳለወትን ብኣኻትኩም ኣብ መቄዶናውያን ዝሕበነሉ ፍቓድ ልብኹምን ቅንኣትኩምን ንብዙሓት ሰብ ከም ዝሰሓለትን፡ እፈልጥ እየ እሞ፡ ብዛዕባ ኣገልግሎት ነቶም ቅዱሳንሲ ኽጽሕፈልኩም ኣየድልየንን እዩ። 3ትምክሕትና ብኣካትኩም በዚ ተግባር እዚ ኸንቱ ምእንቲ ኸይከውን ግና፡ ከምቲ ዝበልክዎ፡ ተዳሊኹም ክትጸንሑ፡ ነቶም ኣሕዋት ልኢኸዮም ኣሎኹ። 4እንተ ዘይኰነስ፡ መቄዶናውያን ምሳይ እንተ መጹ፡ ከይተዳሎኹም እንተ ረኸቡኹም፡— ንስኻትኩም ከይንብልሲ፡— ንሕና በዚ እሙንቶና ኸይንሓፍር ኢለ ለኣኽክዎም። 5እምብኣርሲ ነቲ ቕድም ዘተስፈኩምዎ በረኸት፡ ንሱ ኸም ብቂ ዘይኰነስ፡ ከም በረኸት ተዳልዩ ኽጸንሕ፡ ነቶም ኣሕዋት ቅድሚት ናባኻትኩም ሓሊፎም ከዳልዉ ኽምዕዶም ብግዲ ዀነኒ።
6ግናኸ እዚ እብል ኣሎኹ፡ እቲ ቈጢቡ ዝዘርእ ቈጢቡ ይዓጽድ፡ እቲ ብበረኸት ዝዘርእ ግና ብበረኸት እዩ ዝዓጽድ። 7ኣምላኽ ሕጕስ ወሃቢ እዩ ዝፈቱ እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ብጓሂ ወይስ ብግዲ ዘይኰነስ፡ ከምቲ ብልቡ ዝሕለኖ ይሃብ፡ 8-9ከምቲ እቲ ጽሑፍ፡ ዘረወ ንድኻታትውን ሃበ፡ ጽድቁ ንዘለኣለም ይነብር፡ ዝብሎ፡ ኣምላኽ ከኣ፡ ምእንቲ ብዅሉ ዅሉ ሳዕ ዝኣክል ኵሉ ሒዝኩም ንሰናይ ግብሪ ዅሉ ጸብለል ክትብሉ፡ ጸጋ ዘበለ ኣባኻትኩም ጸብለል ክብል ይከኣሎ እዩ፡ 10ግናኸ እቲ ንዘራኢ፡ ዘርእን ምግቢ ዝኸውን እንጌራ ዝዕድል፡ ንሱ ዘርእኹም ክዕድለኩምን ከበርክተልኩምን፡ ንፍረ ጽድቕኹምውን ከብቍሎን እዩ፡ 11ንስካትኩም ከኣ ብዅሉ በቲ ብኣታትና ገይሩ ንኣምላኽ ምስጋና ዝዓዪ ልግሲ ኽትህብትሙ ኢኹም። 12እቲ ኣገልግሎት እዚ ግብሪ እዚ ብብዙሕ ምስጋና ንኣምላኽ ጸብለል ይብል እምበር፡ ጐደሎ እቶም ቅዱሳን ጥራይ ኣይኰነን ዝምልእ፡ 13ንሳቶም ብምጽራይ እዚ ኣገልግሎት እዚ ንምእማን ወንጌል ክርስቶስ ስለ እተገዛእኩም፡ ስለቲ ንኣታቶምን ንዅሉን ዝኸውን ልግሲ ሓገዝኩም ንኣምላኽ የመስግኑ እዮም። 14ንሳቶምውን ስለቲ ኣባካትኩም ዘሎ ማእለያ ዘይብሉ ጸጋ ኣምላኽ ምእንታኻትኩም እናጸለዩ ይናፍቑኹም እዮም። 15ስለቲ ዘይንገር ውህበት ንኣምላኽ ስብሓት ይኹኖ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
2ይ ቈረንቶስ ምዕራፍ 10
1ኣነ ምሳኻትኩም ከሎኹ፡ ኣብ ገጽን ያኢ ዝትሑት፡ ምስ ረሓቕኩ ግና ኣባኻትኩም ዝተብዕ፡ ኣነ ጳውሎስ ባዕለይ ብዓቕሊ ክርስቶስን ብለውሃቱን እምዕደኩም ኣሎኹ፡ 2ግናኸ ኣብቶም ንሕና ኸም ስጋ ኸም እንመላለስ ዝቘጽሩና ገሊኣቶም፡ በቲ ምሳኻትኩም ኰይነ ኽደፍሮም ኢለ ዝህቅኖ እሙንቶ ኽደፍር ግዲ ኸይኰነኒ እልምነኩም ኣሎኹ። 3ብስጋ እንመላለስ ክነስና እኳ፡ ከም ስጋስ ኣይንዋጋእን ኢና። 4ኣጽዋር ውግእና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንምፍራስ ጽኑዕ ዕርድታት ብርቱዕ እዩ እምበር፡ ስጋዊ ኣይኰነን፡
5ብእኡ ኸኣ ሓሳባትን ምስ ፍልጠት ኣምላኽ ንዝጻላእ ልዕል ዝበለ ነገር ኵሉን እናፍረስና፡ ኵሉ ኣእምሮውን ንምእዛዝ ክርስቶስ ንማርኸሉ ኢና። 6ምእዛዝኩም ምስ ተፈጸመውን፡ ነቲ ዘይምእዛዝ ዘበለ ኵሉ ኽንቀጾዖ ተዳሊና ኣሎና።
7ንስኻትኩምሲ ኣብ ቅድሚ ገጽኩም ዘሎ ትጥምቱ፡ ሓደ እኳ ብርእሱ ናይ ክርስቶስ ምዃኑ ዝኣምን እንተ ዀነ፡ ከምቲ ብርእሱ ናይ ክርስቶስ ከም ዝኸውን፡ ንሕናውን ከምኡ ኸም ዘሎና፡ ከም ብሓድሽ ብርእሱ የስተብህል። 8በቲ ጐይታ— ንምህናጽኩም እምበር፡ ንምፍራስኩም ዘይኰነ ዝሃበና— ስልጣን እኳ ኣብሊጸ እንተ ተመካሕኩ፡ ኣነ በዚ ኣይሓፍርን እየ። 9-10ገለ ሰብ፥ እተን ደብዳቤታቱ ኸበድትን ጽኑዓትን እየን፡ ባዕሉ ምሳና ኸሎ ግና ድኹም እዩ፡ ዘረባኡውን ንዑቕ እዩ፡ ይብል እዩ እሞ፡ በተን ደብዳቤታተይ ከስምብደኩም ከም ዝደሌኹ ኸይመስል እየ እዚ ዝብል ዘሎኹ። 11እቲ ኸምዚ ዝብል፡ ከምቲ ኣብ ርሑቕ ከሎና ብቓል ደብዳቤታትና፡ ኣብኡ ኸሎናውን ብግብሪ ኸምኡ ምዃንና ይሕሰብ።
12ምስቶም ገለ፡ ባዕላቶም ንርእሶም ዝንእዱ፡ ርእስና ኽንቘጽር ወይስ ከነመዓራሪ ኣይንደፍርን ኢና። ግናኽ ንሳቶም ባዕላቶም ብነፍሶም ርእሶም ካብ ዝልክዑ፡ ብነፍሶምውን ንርእሶም ካብ ዘመዓራርዩስ፡ ኣእምሮ የብሎምን። 13ንሕና ግና፡ ናባኻትኩም ክሳዕ እነርክብ እኳ፡ በቲ ኣምላኽ ዝሃበና ደረት መለክዒ መስፈር እምበር፡ ብዘይ ልክዕ ኣይንምካሕን ኢና። 14ናባኻትኩም ከም ዘይበጻሕናስ፡ ባዕላትና እምብዛ ኣይንማጣጠርን ኢና፡ ብወንጌል ክርስቶስሲ ኽሳዕ ናባካትኩም እኳ በጺሕና ኣሎና። 15ብጻማ ኻልኦት ብዘይ ዓቐን ኣይንምካሕን ኢና እሞ፡ እምነትኩም እናዓበየት ምስ ከደት ግና፡ ከም ዓቕምና ንምውሳኽ ኣባኻትኩም ከም እንዓቢ ተስፋና እዩ። 16ኣብቲ ኻልኦት ዘዳለውዎ ሰበኻ ኣቲና ኸይንምካሕሲ፡ ኣብቲ ኽንዮውኩም ዘሎ ሃገር ወንጌል ክንሰብኽ ኢና። 17-18እቲ እግዚኣብሄር ዝንእዶ እምበር፡ እቲ ንርእሱ ዝንእድ ኣይኰነን ተፈቲኑ ዝወጽእ። ስለዚ እቲ ዝምካሕ ብእግዚኣብሄር ደኣ ይመካሕ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
2ይ ቈረንቶስ ምዕራፍ 11
1ገለ ቕሩብ ዕሽነት ክትዕገሱኒ ምደሌኹ፡ እስኪ ተዓገሱኒ ደኣ። 2ብቕንኢ ኣምላኽ እቐንኣልኩም እየ እሞ፡ ንጽህቲ ድንግል ንክርስቶስ ምእንቲ ከቕርበኩም፡ ንሓደ ሰብኣይ ኣሕጽየኩም እየ። 3ግናኸ ከምቲ ተመን ብጕርሑ ንሄዋን ዘስሓታ፡ ከምኡውን ሓሳብኩም ካብቲ ናብ ክርስቶስ ዝኸውን ገርህነትን ንጽህናን ምናልባሽ ከይጥፍእ እፈርህ ኣሎኹ። 4ስለዚ ሓደ እኳ፡ ንሕና ዘይሰበኽናዮ፡ ካልእ የሱስ እንተ ሰበኸ፡ ወይስ ንስካትኩም ዘይተቐበልኩምዎ ኻልእ መንፈስ እንተ ተቐበልኩም፡ ወይስ ዘይረኸብኩምዎ ኻልእ ወንጌል እንተ መጻኩም፡ ጽቡቕ ትዕገስዎ ኣሎኹም። 5ኣነ ካብቶም ኣዝዮም ብሉጻት ሃዋርያ ብሓንቲ እኳ ዝሓምቕ ኣይመስለንን። 6ብዘረባ እኳ ዓሻ እንተ ዀንኩ፡ ብፍልጠትሲ ኸምኡ ኣይኰንኩን፡ ግናኸ ብዅሉን ኣብ ኵሉን ኣባኻትኩም ግሁዳት ኢና።
7ወይስ ንስኻትኩም ምእንቲ ልዕል ክትብሉ ኢለ ርእሰይ ኣትሒተ ወንጌል ኣምላኽ ብኸምኡ እንተ ሰበኽኩልኩምዶ ሓጢኣት ገይረ እየ፧ 8ንኣኻትኩም ምእንቲ ኸገልግል ኢለ እየ፡ ኻባታተን ዓስቢ እናተቐበልኩ፡ ነተን ካልኦት ማሕበራት ዝበዝበዝክወን። 9ምሳኻትኩም ከሎኹ ኸኣ ምስ ሰኣንኩ፡ ካብ መቄዶንያ ዝመጹ ኣሕዋት መሊኦምለይ እሞ፡ ኣብ ሓደ እኳ ኣየኽበድኩን። ብዅሉ ድማ ርእሰይ ኸየኽብደልኩም እጥንቀቕ ኣሎኹ ኽጥንቀቕውን እየ። 10ከምቲ ናይ ክርስቶስ ሓቂ ኣባይ ዘሎ፡ እዚ ትምክሕቲ እዚ ኣብ ሃገር ኣካይያ ዘሕድገኒ የልቦን። 11ስለምንታይ፧ ኣነ ስለ ዘየፍቅረኩም ድዩ፧ ኣምላኽ ይፈልጥ። 12ግናኸ በቲ ዝምክሑሉ ኸማና ዀይኖም ምእንቲ ኽርከቡ፡ ነቶም ምኽንያት ዝደልዩ ምኽንያት ምእንቲ ክኸልኦም ኢለ፡ እቲ ዝገብሮ ኽገብሮ እየ። 13ከምዚኣቶም ዝበሉ ሰባት ከኣ ሃዋርያት ሓሶት፡ ዝጥብሩ ዓየይቲ፡ ርእሶም ንሃዋርያት ክርስቶስ ዘምስሉ እዮም። 14ሰይጣን እኳ ንርእሱ ንመልኣኽ ብርሃን የምስል እዩ እሞ፡ እዚ ኣየገርምን እዩ። 15ስለዚ ኸኣ እቶም ኣገልገልቱ ንርእሶም ነገልግልቲ ጽድቂ እንተ ኣምሰሉ፡ ዓብዪ ነገር ኣይኰነን፡ መወዳእታኦም ግና ከም ግብሮም ክኸውን እዩ።
16ከም ብሓድሽ ከኣ እብል ኣሎኹ፡ ሓደ እኳ፡ ዓሻ ኸም ዝዀንኩ፡ ኣይምሰሎ። እንተ ዘይኰነስ፡ ኣነውን ገለ ቕሩብ ምእንቲ ኽምካሕ፡ ከም ዓሻ ጌርኩም ተቐበሉኒ። 17እዚ በዚ እሙንቶ ትምክሕቲ ዝብሎ ዘሎኹ፡ ከም ብዕሽነት እምበር፡ ብእግዚኣብሄር ኣይኰንኩን ዝብል ዘሎኹ። 18ብዙሓት ከም ስጋ ኻብ ዝምክሑ፡ ኣነውን ክምካሕ እየ። 19ንስኻትኩም ለባማት ስለ ዝዀንኩም፡ ነቶም ዓያሱ ብታሕጓስ ትዕገስዎም ኣሎኹም። 20ሓደ ኸም ባርያ እንተ ገበረኩም፡ ሓደ እንተ ወሓጠኩም፡ ሓደ እንተ ሓዘኩም፡ ሓደ እንተ ዀርዓልኩም ሓደ ገጽኩም እንተ ጸፍዓኩም፡ ትዕገስዎ ኢኹም። 21ንሕና ድኹማት ኴንና ኸም ዝነበርና፡ ብናይ ውርደት እብል ኣሎኹ፡ ግናኸ በቲ ሓደ ካልእ ዝደፍረሉ፡— ብዕሽነት እየ ዝብል ዘሎኹ፡— ኣነውን እደፍር እየ። 22እብራውያን ድዮም፧ ኣነ ኸኣ። እስራኤላውያን ድዮም፧ ኣነ ኸኣ። ዘርኢ ኣብርሃም ድዮም፧ ኣነውን እየ። 23ኣገልገልቲ ክርስቶስ ድዮም፧—ከም ጽሉል እየ ዝዛረብ ዘሎኹ፡— ኣነ እበልጾም እየ። ብጻዕሪ ሕልፊ ዘሎኒ፡ ብማእሰርቲ ሕልፊ ዘሎኒ፡ ብመውቃዕቲ ጸብለል ዝበልኩ፡ ብዙሕ ግዜ ኣብ ሞት ዝበጻሕኩ እየ። 24ብኣይሁድ ሓሙሽተ ግዜ ነርብዓስ ሓደ ጐደል ተገሪፈ። 25ሰለስተ ሳዕ ብሽመል ተዘቢጠ፡ ሓደ ሳዕ በእማን ቀጥቀጡኒ፡ ሰልሰተ ሳዕ እታ ዝነበርክዋ መርከብ ተሰብረት፡ ለይትን መዓልትን ኣብቲ መዓሙቕ ባሕሪ ሓዲረ ወዓልኩ። 26ብዙሕ ግዜ ኣብ መገሻታት ነይረ፡ ኣብ ርባታት ብፍርሃት፡ ካብ ከተርቲ ብፍርሃት፡ ካብ ደቂ ዓደይ ብፍርሃት፡ ካብ ኣህዛብ ብፍርሃት፡ ኣብ ከተማ ብፍርሃት፡ ኣብ በረኻ ብፍርሃት፡ ኣብ ባሕሪ ብፍርሃት፡ ኣብ ማእከል ኣሕዋት ሓሶት ብፍርሃት እየ ዝነበርኩ። 27ብዕዮን ብጻዕርን፡ ብዙሕ ግዜ ብምንቃሕ፡ ብጥሜትን ብጽምእን፡ ብዙሕ ግዜ ብጾም፡ ብቝርን ብዕርቃንን ነይረ። 28ኣብ ልዕሊ እዚ ኣብ ወጻኢ ዘሎ ዅሉ ነገር እቲ ኣብ ጸጽባሕ ዝጸበኒ፡ ማለት ብዛዕባ እቲ ብዅላተን ማሕበራት ዝሓልዮ ዘሎኹ ሓልዮት እዩ። 29መን እዩ ዝደክም፡ ኣነ ዘይደኽመሉ፧ መን እዩ ዝዕንቀፍ፡ ኣነ ኸኣ ዘይነድድ፧ 30ክምካሕ ዝድልየኒ እንተ ዀይኑስ፡ ኣነ ብናይ ድኻመይ ክምካሕ እየ። 31እቲ ንዘለኣለም ብሩኽ ኣምላኽ፡ ኣቦ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ኣነ ኸም ዘይሕሱ፡ ንሱ ይፈልጥ እዩ። 32ኣብ ደማስቆ እቲ ናይ ንጉስ ኣሬጣስ ምስለኔ ኽሕዘኒ ደልዩ፡ ነታ ኸተማ ሰብ ደማስቆ ኣሓለዋ፡ 33እሞ ኣብ ከፈር ገይሮም ብመስኰት እቲ ቐጽሪ ኣውረዱኒ፡ ካብ ኢዱውን ኣምለጥኩ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
2ይ ቈረንቶስ ምዕራፍ 12
1ክምካሕ ዘይጠቕመኒ ኽነሱስ፡ ብግዲ የድልየኒ እዩ፡ ሕጂ ግና ናብ ራእየይ ናብ ምግላጽ ጐይታና እሓልፍ ኣሎኹ። 2ቅድሚ ዓሰርተው ኣርባዕተ ዓመት ሓደ ሰብኣይ ብክርስቶስ፡ እዚ ኸምዚ ዝበለ ኽሳዕ ሳልሳይ ሰማይ ከም እተዘረፈ፡ እፈልጥ ኣሎኹ፡— ኣብ ስጋ ምንባሩ ኣይፈልጥን፡ ኣብ ወጻኢ ስጋ ምንባሩ ኣይፈልጥን፡ ኣምላኽ ይፈልጥ።— 3ብናይ እዚ ኸምዚ ዝበለ ሰብኣይ፡— ኣብ ስጋ ምንባሩ ወይስ ኣብ ወጻኢ ስጋ ምንባሩ ኣይፈልጥን እየ፡ ኣምላኽ ይፈልጥ፡— 4ናብ ገነት ከም እተዘረፈ እሞ፡ ሰብ ኪዛረቦ ዘይተፈቕደሉ፡ ዘይንገር ዘረባውን ከም ዝሰምዐ፡ እፈልጥ እየ። 5በዚ ኸምዚ ዘመሰለ ሰብኣይ ክምካሕ እየ፡ ብናይ ርእሰይ ግና፡ ብድኻመይ እንተ ዘይኰይኑ፡ ኣይክምካሕን እየ። 6ክምካሕ እንተ ዝደልስ፡ ሓቂ ምተዛረብኩ እሞ፡ ኣይምዓሾኹን ነይረ፡ ግናኸ ሓደ እኳ ሓለፋ እቲ ዝርእየለይ ዘሎን ወይስ ሓለፋ እቲ ኻባይ ዝሰምዖን ከይሓስበኒ፡ ሸለል ኢለ እሓድጎ ኣሎኹ። 7ብምኽንያት እቲ ኣዝዩ ብሉጽ ራእይ እምብዛ ምእንቲ ኸይዕበ ኸኣ፡ ኣብ ስጋይ ግራጭ ተዋህበኒ፡ እምብዛ ምእንቲ ኸይዕበ፡ መልኣኽ ሰይጣን ክስቅየኒ ተዋህበኒ። 8እዚ ኻባይ ክርሕቕ፡ ብዛዕባዚ ንጐይታ ሰለስተ ሳዕ ለመንክዎ፡ 9ንሱ ኸኣ፡ ሓይለይ ብድኻም እዩ ዝፍጸም እሞ፡ ጸጋይ ይኣኽለካ፡ በለኒ። ስለዚ ሓይሊ ክርስቶስ ኣብ ልዕለይ ምእንቲ ኽሓድር፡ ብብዙሕ ታሕጓስ ብድኻመይ ክምካሕ እየ። 10እምብኣርከ ምስ ዝደክም፡ ሽዑ እየ ዝብርትዕ እሞ፡ ምእንቲ ክርስቶስ ኢለ ብድኻም፡ ብጸርፊ፡ ብሓሳር፡ ብምስጓጕ፡ ብጸበባ እሕጐስ እየ።
11ምናምን እኳ ኽነሰይ፡ ካብቶም ኣዝዮም ብሉጻት ሃዋርያት ኣይሓመቕኩን እሞ፡ ንስኻትኩም ግዳ ኽትንእዱኒ ምተገብኣኩም ነይሩ። ኣነ ዓሽየ፡ ግናኸ ንስኻትኩም ኢኹም ግዲ ዝበልኩምኒ። 12ትእምርትታት ሃዋርያስ ብትእምርትታትን ብተኣምራትን ብግብሪ ሓይልታትን ኣባኻትኩም ብዅሉ ትዕግስቲ ተገብረ። 13ብዘይ እቲ ኣነ ባዕለይ ዘየኽበድኩልኩም ምዃን እንተ ዘይኰይኑስ፡ ካብተን ካልኦት ማሕበራት ዝጐደልኩምሉ እንታይ እዩ፡ እዛ በደል እዚኣ ይቕረ በሉለይ።
14እንሆ፡ ናባኻትኩም ክመጽእ ካብ ዝዳሎ እዚ ሳልሳየይ እዩ፡ ኣነውን ንኣኻትኩም እምበር፡ ንገንዘብኩም ኣይኰንኩን ዝደሊ ዘሎኹ። ወለዲ ደኣ ንውሉዶም እምበር፡ ውሉድ ንወለዶም መዝገብ ክዘግቡ ግቡእ ኣይኰነን እሞ፡ ኣነ ኣይክብደልኩምን እየ። 15ብመጠን እቲ ኣነ ኣዕዚዘ ዘፍቅረኩምዶ፡ ንስኻትኩም ኣጕዲልኩም ተፍቅሩኒ ኣሎኹም፧ ኣነ ኣብ ክንዲ ነፍሳትኩም ብብዙሕ ታሕጓስ ኵሉ ወፍየልኩም ነፍሰይውን ክውፍየልኩም እየ። 16እስከ ዝዀነ ይኹን፡ ብብልሓት ይኣይ እየ ጠቢረ ዝሓዝኩኹም እምበር፡ ኣነ ኣየኽበድኩልኩምን። 17በቶም ናባካትኩም ዝለኣኽክዎም ገይረዶ ገለ ተበሊጸልኩም እየ፡ 18ንቲቶስ ለሚነዮ፡ ምስኡውን ነቲ ሓደ ሓው ሰዲደዮ። ቲቶስ ደዀን ተበሊጹልኩም ኰይኑ፧ ብሓደ መንፈስዶ ኣሰኣሰር ሓደ ኣይተመላለስናን፧
19ንርእሰና ኣባኻትኩም ከም እነመጻርያ ካብ ቀደም ሒዝኩም ትሓስቡ ኔርኩም። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብክርስቶስ ኢና እንዛረብ ዘሎና። ግናኸ፡ ኣቱም ፍቁራተይ፡ ኵሉ ንምህናጽኩም እዩ። 20ክመጽእ ከሎኹ፡ምናልባሽ ከምቲ ኣነ ዘይደሌኽዎ ዄንኩም፡ ከይረኽበኩም፡ ንኣይውን ከምቲ ዘይትደልይዎ ዀይነ ኸይትረኽቡኒ፡ ምናልባሽ ባእሲ፡ ቅንኢ፡ ኵራ፡ ሻራ፡ ሕሜት፡ ሕሽዅሽዅ፡ ምንፋሕ፡ ህውከት ከይህልወኩም እፈርህ ኣሎኹ። 21ክምለስ ከሎኹ፡ ኣምላኸይ ኣብ ቅድሜኹም ከየዋርደኒ፡ ኣነውን በቶም ቀደም ሓጢኣት ዝገበሩ እሞ ካብቲ ዝገበርዎ ርኽሰት ምንዝርን ዕብዳንን ዘይተነስሑ ብዙሓት ከይጕሂ፡ እፈርህ ኣሎኹ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
2ይ ቈረንቶስ ምዕራፍ 13
1እዚ ምምጽአይ ኣባኻትኩም ሳልሳይ ግዜ እዩ። ዘረባ ዘበለ ብኣፍ ክልተ ወይስ ሰለስተ ምስክር እዩ ዝቐውም። 2-3ክርስቶስ ናባኻትኩም ብርቱዕ እዩ እምበር፡ ናባኻትኩም ድኹም ኣይኰነን እሞ፡ በቲ ኣባይ ዝዛረብ ክርስቶስ ምስክር ከም እትደልዩ ርእየ፡ ከምቲ ኻልኣይ ግዜ ምሳኻትኩም ከሎኹ ዝበልክዎ ሕጂውን ካባኻትኩም ርሒቐ ኸሎኹ፡ ናባኻትኩም እንተ ተመለስኩ፡ ነቶም ቅድም ዝኣበሱን ነቶም ዝተረፉ ዅላቶም ከም ዘይድንግጸሎም፡ ቀደም ነጊረ እየ፡ ኣቐዲመውን እነግር ኣሎኹ። 4ክርስቶስ ብድኻም ተሰቒሉ፡ ብሓይሊ ኣምላኽ ህያው ኰይኑ ይነብር እዩ። ንሕናውን ኣብኡ ድኹማት ኢና፡ በቲ ኣባኻትኩም ዝዀነ ሓይሊ ኣምላኽ ግና ምስኡ ህያዋን ኴንና ክንነብር ኢና።
5ብእምነት እንተ ኣሊኹም፡ ርእስኹም ፈትኑ፡ ርእስኹም መርምሩ። ወይስ የሱስ ክርስቶስ ኣባኻትኩም ከም ዘሎዶ ብርእስኹም ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ እዚ እንተ ዘይኰነስ፡ መኸታ ዘይተጽንዑ ኢኹም። 6ንሕና ግና፡ መኸታ ዘየጽንዑ ኸም ዘይኰንና ኽተፈልጡ፡ ተስፋ እገብር ኣሎኹ። 7ከቶ ኽፉእ ከይትገብሩ፡ ናብ ኣምላኽ ንልምን ኣሎና። ንሕና እኳ መኸታ ኸም ዘይነጽንዕ እንተ ዀንና፡ ምእንቲ ንስኻትኩም ሰናይ ክትገብሩ እምበር፡ ንሕና መኸታ ምእንቲ እነጽንዕ መሲልና ኽንርኤ ኣይኰናን። 8ንሕና ንሓቂ እምበር፡ ምስ ሓቂ ዝጻረር ገለ እኳ ክንገብር ኣይከኣለናን እዩ። 9ንሕናን እንተ ደኸምና፡ ንስካትኩምን እንተ በርታዕኩም ኢና እንሕጐስ፡ እዚውን፡ ምሉኣት ክትኰኑ፡ ንጽሊ ኣሎና። 10ምእንትዚ በቲ ንምህናጽ እምበር፡ ንምፍራስ ዘይኰነ፡ ጐይታ ዝሃበኒ ስልጣን ምስ መጻእኩ፡ ጨኪነ ኸየበርትዓልኩም፡ ርሑቕ ከሎኹ እጽሕፈልኩም ኣሎኹ።
11ብዝተረፈስ፡ ኣሕዋተየ፡ ተሓጐሱ፡ ምሉኣት ኩኑ፡ ጽኑዓት ኩኑ፡ ብሓንቲ ሓሳብ ኩኑ፡ ብሰላም ንበሩ፡ ኣምላኽ ፍቕርን ሰላምን ከኣ ምሳኻትኩም ክኸውን እዩ።
12ንሓድሕድኩም ብቕዱስ ምስዕዓም ሰላም ተባሃሃሉ። ኵላቶም ቅዱሳን ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ።
13ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ሕብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኵላትኩም ይኹን። ኣሜን።
መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ገላትያ
1 2 3 4 5 6
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ገላትያ ምዕራፍ 1
1ጳውሎስ፡ ሃዋርያ ብየሱስ ክርስቶስን በቲ ኻብ ምውታት ዘተንስኦ እግዚኣብሄር ኣቦን እምበር፡ ካብ ሰብ ወይስ ብሰብ ዘይኰነ፡ 2ኵላቶም ምሳይ ዘለዉ ኣሕዋት ድማ ናብ ማሕበራት ገላትያ። 3-4ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ካብቲ ኸም ፍቓድ ኣቦና ኣምላኽ፡ ካብዛ ሕጂ ዘላ እክይቲ ዓለም ምእንቲ ከድሕነና ኢሉ፡ ብሰሪ ሓጢኣትና ነፍሱ ዝሃበ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን፡ ጸጋን ሰላምን ይውረድኩም። 5ንእኡ ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ክብሪ ይኹን ኣሜን።
6ካብቲ ብጸጋ ክርስቶስ ዝጸውዓኩም ከምዚ ቐልጢፍኩም ናብ ካልእ ወንጌል ምግልባጥኩም ይገርመኒ ኣሎ። 7እዚውን ገለ ዘዕገርግሩኹምን ነቲ ወንጌል ክርስቶስ ክልውጥዎ ዝደልዩን ከም ዘለዉ ማለት እዩ እምበር፡ ካልእ ወንጌልሲ ኣይኰነን። 8ግናኸ ንሕና እኳ እንተ ዀንና ወይስ መልኣኽ ካብ ሰማይ፡ ብዘይ እዚ ንሕና ዝሰበኽናልኩም ወንጌል ካልእ ወንጌል እንተ ሰበኸልኩም፡ ንሱ ውጉዝ ይኹን። 9ከምቲ ቕድም ዝበልናዮ፡ ሕጂውን ከም ብሓድሽ፥ ብዘይ እቲ እተቐበልኩምዎስ ካልእ ወንጌል ዝሰብኽ እንተሎ፡ ንሱ ውጉዝ ይኹን፡ እብል ኣሎኹ። 10ሕጂኸ ንስብዶ ወይስ ንኣምላኽ እየ ባህ ዘብል ዘሎኹ፡ ወይስ ንሰብ ከሐጕስ ድየ ዝደሊ ዘሎኹ፡ ገና ንሰብ ከሐጕስ እንተ ዝብልሲ፡ ባርያ ክርስቶስ ኣይምዀንኩን ነይረ።
11-12እምብኣርስ ኣሕዋተይ፡ ኣነ ድማ ብምግላጽ የሱስ ክርስቶስ እየ እምበር፡ ካብ ሰብ ኣይተቐበልክዎን ኣይተመሃርክዎንውን እሞ፡ እቲ ብኣይ እተሰብከ ወንጌል ከም ቅዲ ሰብ ዘይምዃኑ አፍልጠኩም ኣሎኹ። 13ቀደም ብኣይሁድነት ክነብር ከሎኹስ፡ ነታ ማሕበር ኣምላኽ ብዘይ ልክዕ ከም ዝሰጐጕክዋን ዘዕኖኽዋን፡ ሰሚዕኩም ኣሎኹም። 14ነቲ ሰርዓት ኣቦታተይ ኣዝየ እናቐናእኩ ኸኣ፡ ካብ ብዙሓት ኣብ ህዝበይ ዘለዉ መሳቶይ ብኣይሁድነት ሓለፍ በልኩ። 15እቲ ኻብ ከርሲ ኣደይ ጀሚሩ ዝፈለየኒ ብጻጋኡውን ዝጸውዓኒ ኣምላኽ ግና 16-17ኣነ ኣብ ኣህዛብ ወንጌል ምእንቲ ኽሰብኽ ኢሉ ንወዱ ኣባይ ክገልጾ ምስ ፈተወ፡ ሽዑ ብኡብኡ ምስ ስጋን ደምን ከይተማኸርኩ፡ ናብቶም ቅድመይ ዝነበሩ ሃዋርያት፡ ናብ የሩሳሌም እኳ ኸይደየብኩ፡ ናብ ምድሪ ዓረብ ከድኩ እሞ ከም ብሓድሽ ናብ ደማስቆ ተመለስኩ።
18ካብኡ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ንኬፋ ኽላለዮ ናብ የሩሳሌም ደየብኩ እሞ ምስኡ ዓሰርተው ሓሙሽተ መዓልቲ ቐኔኹ። 19ካብ ሃዋርያ ግና ብዘይ ያእቆብ ሓው ጐይታና ሓደ ኻልእ እኳ ኣይርኤኹን። 20እዚ ዝጽሕፈልኩም ዘሎኹ ድማ፡ እንሆ ኣነ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣይሕሱን እየ። 21ድሕርቲ ኸኣ ናብ ሃገር ሶርያን ቂልቅያን መጻእኩ። 22-23እተን ብክርስቶስ ዘለዋ ማሕበራት ይሁዳ ኸኣ፡ እቲ ቐደም ዝሰጐጐና ነታ ቐደም ኸዕንዋ ዝደሊ ዝነበረ እምነት ሕጅስ ይሰብካ ኣሎ፡ ክብሉ ጥራይ ይሰምዓ ነበራ እምበር፡ ገጸይ ኣይፈልጣን ነበራ። 24ብዛዕባይውን ንኣምላኽ ኣመስገና።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ገላትያ ምዕራፍ 2
1ካብኡ ኸኣ ድሕሪ ዓሰርተው ኣርባዕተ ዓመት ከም ብሓድሽ ናብ የሩሳሌም ምስ በርናባስ ደየብኩ ንቲቶስውን ምሳይ ተማላእክዎ። 2እቲ ምድያበይ ከኣ ብምኽንያት ሓደ ራእይ እዩ። ምናልባሽ ንኸንቱ ኸይጐዪ ወይስ ጐይየ ኸይህሉ ኢለ፡ እቲ ኣብ ኣህዛብ ዝሰብኮ ወንጌል ነቶም ምርኡያት ኣብ በይኖም ገይረ ተዛረብክዎም። 3ግናኸ ነቲ ምሳይ ዝነበረ ቲቶስ እኳ፡ ጽርኣዊ ኽነሱስ፡ ምግዛር ኣየድለዮን። 4እዚ ኸኣ ብሰሪ እቶም፡ ባሮት ምእንቲ ኽገብሩና፡ ተጐሓልዮም እተሓወሱና፡ ንሳቶምውን ነቲ ብክርስቶስ ዘሎና ሓርነት ክስልዩ ዝኣተዉና ኣሕዋት ሓሶት እዩ። 5እቲ ሓቂ ወንጌል ኣባኻትኩም ምእንቲ ኽጸንዕ፡ ሕራይ ንምባል ሓንሳእ እኳ ስግጥ ኣይበልናሎምን። 6እቶም ርኡያት መሰልቲ፡ኣምላኽሲ ገጽ ሰብ ርእዩ ኣየድሉን እዩ እሞ፡ ከመይ ዝበሉ ኸም ዝዀኑ ግዶም የብለይን፡እቶም ርኡያት መሰልትስ ሓንቲ እኳ ኣይወሰኹለይን። 7-8እቲ ኣብ ጴጥሮስ ንሃዋርያነት ኣብ ግዙራት ዝዓየየ፡ ኣባይ ድማ ኣብ ኣህዛብ ዓየየ እሞ፡ ከምቲ ንጴጥሮስ ኣብ ግዙራት ንኣይ ግዳ ኣብ ዘይተገዝሩስ ወንጌል ምሕጽንታ ተዋሂብኒ ምስ ረኣዩ፡ 9እቶም ኣዕኑድ ከም ዝዀኑ መሰልቲ፡ ያእቆብን ኬፋን ዮሃንስን፡ እቲ እተዋህበኒ ጻጋ ምስ ፈለጡ፡ ንሕና ናብ ኣህዛብ ክንከይድ፡ ንሳቶም ግና ናብ ግዙራት፡ ምናዳ ንኣይን ንበርናባስን ናይ ሕብረት የማናይ ኢዶም ሃቡና። 10ነቶም ድኻታት ጥራይ ክንዝክሮም ደለዩ፡ እዚውን ክገብሮ ኢለ ባዕለይ እጋደል ነይረ።
11ኬፋ ናብ ኣንጾክያ ምስ መጸ ግና፡ ተኸሲሱ ነበረ እሞ፡ ገጽ ንገጽ ተቓወምክዎ። 12ገለ ሰባት ካብ ያእቆብ ከይመጹ፡ ምስ ኣህዛብ ሓቢሩ ይበልዕ ነበረ፡ ምስ መጹ ግና፡ ንሰብ ግዝረት ፈሪሁ ኣግለሰ፡ ርእሱውን ፈለየ። 13እቶም ዝተረፉ ኣይሁድውን ምስኡ ተገበዙ፡ በርናባስ እኳ በቲ ግብዝንኦም ክሳዕ ዚሰሓብ ኰነ። 14ከምቲ ሓቂ ወንጌል ብቕንዕና ዘይምምልላሶም ምስ ርኤኹ ግና፡ ንጴጥሮስ ኣብ ቅድሚ ዅላቶም በልክዎ፡ ንስኻ፡ ኣይሁዳዊ ኽነስኻ፡ ብናይ ኣይሁድ ዘይኰነስ ብንብረት ኣህዛብ ካብ እትህሉ፡ ከመይ ኢልካ ደኣ ነቶም ኣህዛብ ብንብረት ኣይሁድ ክህልዉ ብግዲ ትብሎም ኣሎኻ፡ 15ንሕና ዓሌትና ኣይሁድ ኢና፡ ካብቶም ሓጥኣን ኣህዛብ ኣይኰንናን። 16ሰብ ብእምነት ብየሱስ ክርስቶስ እምበር፡ ብግብሪ ሕጊ ኸም ዘይጸድቕ ካብ ፈለጥና ግና፡ ኵሉ ስጋ ብግብሪ ሕጊ ዘይጸድቕ ስለ ዝዀነ፡ ንሕና ኸኣ ብግብሪ ሕጊ ዘይኰነስ ብእምነት ብክርስቶስ ምእንቲ ኽንጸድቕ ብክርስቶስ የሱስ ኣመንና። 17ግናኸ ንሕና ብክርስቶስ ክንጸድቕ እናደሌና፡ ንርእስና ሓጥኣን ኴንና ኻብ ተረኸብና፡ እምብኣርሲ ክርስቶስዶ ኣገልጋሊ ሓጥኣት እዩ፧ ያእ ኣይፋሉን። 18ነቲ ዘፍረስክዎስ ከም ብሓድሽ እንተ ነደቕክዎ፡ ኣበሰኛ ምዃነይ አርኢ ኣሎኹ። 19ኣነስ ንኣምላኽ ብህይወት ምእንቲ ኽነብር፡ ካብ ሕግስ ብሕጊ ሞትኩ። ምስ ክርስቶስ ተሰቐልኩ። 20ግናኸ ክርስቶስ እዩ ኣባይ ዝነብር ዘሎ እምበር፡ ደጊም ኣነ ኣይኰንኩን ዝነብር ዘሎኹ። እዚ ሕጂ ብስጋ ዝነብሮ ዘሎኹ ድማ፡ ብእምነት በቲ ዘፍቀረኒ ምእንታይውን ነፍሱ ዘሕለፈለይ ወዲ ኣምላኽ እየ ዝነብር ዘሎኹ። 21ጽድቂ ብሕጊ እንተ ዝኸውን፡ እምብኣርከ ክርስቶስ ንኸንቱ እዩ ዝሞተ፡ ኣነስ ጸጋ ኣምላኽ ኣይንዕቕን እየ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ገላትያ ምዕራፍ 3
1ኣቱም ዓያሱ ሰብ ገላትያ፡ ቀደም የሱስ ክርስቶስ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኹም ከም ስቑል ኰይኑ ተስኢሉ ነበረ። ንሓቂ ኸይትእዘዙ ደኣ መን ዓዘመኩም፡ 2ካባኻትኩም እዚ ጥራይ ክፈልጥ እደሊ ኣሎኹ፥ ብግብሪ ሕጊዶ ወይስ ብምስማዕ እምነት ኢኹም መንፈስ እተቐበልኩም፡ 3ክሳዕ ክንዲዚዶ ዓያሱ ኢኹም፧ ብመንፈስ ጀሚርኩምሲ፡ ሕጂዶ ብስጋ ኽትፍጽሙ ትደልዩ ኣሎኹም፡ 4ንኸንቱ እንተ ዀይኑስ፡ ክንድዚ ዝኣክል መከራዶ ንኸንቱ ጸገብኩም፡ 5-6ከምቲ፡ ኣብርሃም ንኣምላኽ ኣመኖ እሞ ጽድቂ ዀይኑ ተቘጽረሉ፡ ዝብል፡ እምበኣርስ እቲ መንፈስ ዝህበኩም ኣባኻትኩምውን ሓይሊ ዝገብር ብግብሪ ሕጊ ድዩ ወይስ ብምስማዕ እምነት፡ 7እምብኣርከ እቶም ካብ እምነት ዘበሉ፡ ንሳቶም ደቂ ኣብርሃም ምዃኖም ፍለጡ። 8እቲ ጽሑፍውን፡ ኣምላኽ ነህዛብ ብእምነት ከም ዘጽድቖም፡ ቅድም ርእዩ፡ ንኣብርሃም፡ ኵሎም ኣህዛብ ብኣኻ ኽባረኹ እዮም፡ ኢሉ ኣቐዲሙ ኣበሰሮ። 9እምብኣርስኸ እቶም ካብ እምነት ዘበሉ ምስ ኣብርሃም፡ ምስቲ ኣማኒ፡ ክባረኹ እዮም። 10ነፍሲ ወከፍ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ሕጊ ተጽሒፉ ዘሎ ዅሉ ኽገብሮ ዘይጸንዕ፡ ርጉም ይኹን፡ ዝብል ጽሑፍ እዩ እሞ፡ እቶም ካብ ግብሪ ሕጊ ዘበሉ ዅሎም ኣብ ትሕቲ መርገም እዮም። 11ግናኸ እቲ ጻድቕ ብእምነት ህያው ኰይኑ ኽነብር እዩ እሞ፡ ብሕጊ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሓደ እኳ ኸም ዘይጸድቕ ግሁድ እዩ። 12ሕጊ ኻብ እምነት ኣይኰነን፡ ግናኸ እቲ ዝገብሮ ብህይወት ክነብረሉ እዩ። 13-14ንሕና ነቲ ተስፋ መንፈስ ብእምነት ክንቅበሎ፡ እቲ በረኸት ኣብርሃምውን ብየሱስ ክርስቶስ ነህዛብ ምእንቲ ክኸውንሲ፥ ኣብ ዕጸይቲ ዝስቀል ዘበለ ርጉም እዩ፡ ተጽሒፉ ኣሎ እሞ፡ ክርስቶስ ምእንታና መርገም ኰይኑ፡ ካብ መርገም ሕጊ ተሻየጠና።
15ኣሕዋተየ፡ ከም ኣዛራርባ ሰብ እዛረብ ኣሎኹ፡ ነቲ ዝጸንዐ ኪዳን ሰብ እኳ ዘፍርሶ ወይስ ዝውስኸሉ የልቦን። 16እቲ ንኣብርሃምን ንዘርኡን እተነግረ ተስፋ ድማ ንሓደ ኸም ዝብሃል፡ ንዘርእኻ፡ ንሱ ኸኣ ክርስቶስ እዩ እምበር፡ ንብዙሓት ከም ዝብሃል፡ ነዝርእቲ፡ ኣይብልን እዩ። 17እምብኣርሲ እዚ እብል ኣሎኹ፡ ነቲ ተስፋ ኽነቱ ኽገብሮ ኢሉ፡ ነቲ ኣምላኽ ቀደም ዘጽንዖ ኪዳን እቲ ድሕሪኡ በርባዕተ ሚእትን ሰላሳን ዓመት ዝመጸ ሕጊ ኣየፍርሶን እዩ። 18እቲ ርስቲ ኻብ ሕጊ እንተ ዝኸውንሲ፡ ደጊም ካብ ተስፋ ኣይምዀነን ነይሩ። ኣምላኽ ግና ንኣብርሃም ብተስፋ እዩ ዝሃቦ። 19እቲ ሕጊኸ ደኣ ንምንታይ እዩ፡ ንሱ ብሰሪ ኣበሳ ተወሰኸ፡ እቲ ተስፋ እተዋህቦ ዘርኢ ኽሳዕ ዝመጽእ፡ ብኢድ እቲ ማእከላይ ብመላእኽቲ ተሓገገ። 20ማእከላይሲ ማእከላይ ሓደ ኣይኰነን፡ ኣምላኽ ግና ሓደ በይኑ እዩ። 21እምብኣርከ፡ እቲ ሕጊዶ ነቲ ተስፋ ኣምላኽ መጻርርቱ እዩ፡ ያእ ኣይፋሉን። ህያው ክገብር ዝከኣሎ ሕጊ ተውሂቡ እንተ ዝኸውንሲ፡ እቲ ጽድቂ ብሓቂ ኻብ ሕጊ ምዀነ ነይሩ። 22እቲ ተስፋ ግና ነቶም ዝኣምኑ ብእምነት የሱስ ክርስቶስ ምእንቲ ኽውሃብ፡ እቲ ጽሑፍ ንዅሉ ኣብ ትሕቲ ሓጢኣት ዓጸዎ።
23እምነት ከይመጸት፡ ንሕና ነታ ኽትገሃድ ዘለዋ እምነት እናተጸቤና፡ ተዓጺና ኣብ ትሕቲ ሕጊ ተሓሊውና ነበርና። 24ስለዚ ኸኣ ብእምነት ምእንቲ ኽንጸድቕሲ፡ ናብ ክርስቶስ ከብጽሓና እቲ ሕጊ ቐጻዒና ዀነ። 25እምነት ምስ መጸት ግና፡ ደጊም ትሕቲ ቐጻዒ ኣይኰንናን። 26-27ብክርስቶስ እተጠመቕኩም ዘበልኩም ንክርስቶስ ለበስኩምዎ እሞ፡ ብእምነት ብየሱስ ክርስቶስ ኵላትኩም ውሉድ ኣምላኽ ኢኹም። 28ኵላትኩም ብክርስቶስ የሱስ ሓደ ኢኹም እሞ፡ በዚ ኣይሁዳዊ ወይስ ጽርኣዊ የልቦን፡ በዚ ባርያ ወይስ ጭዋ የልቦን፡ በዚ ተባዕታይ ወይስ ኣንስተይቲ የልቦን። 29ናይ ክርስቶስ ካብ ኰንኩም፡ ደጊም ዘርኢ ኣብርሃም ኢኹም፡ ከምቲ ተስፋውን ወረስቲ ኢኹም።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ገላትያ ምዕራፍ 4
1-2ኣነ ግና እብል ኣሎኹ፡ ወራሲ ብዘመን ቍልዕነቱ ኸሎ፡ ጐይታ ዅሉ ኽነሱ፡ ክሳዕ እታ ኣቦኡ ዝመደበሉ ግዜ ትሕቲ ሰብ ሕድርን መገብትን እዩ እምበር፡ ንሱን ባርያን በበይኑ የብሎምን። 3ከምእውን ንሕና ቘልዑ ኸሎና፡ ኣብ ትሕቲ ምህሮ ቝልዕነት ዓለም፡ ባሮት ኴንና ነበርና። 4-5ምልኣት ዘመን ምስ መጸ ግና፡ ነቶም ትሕቲ ሕጊ ዘለዉ፡ ተሻዪጡ ምእንቲ ኸውጽኦም፡ ንሕናውን ውልድነት ምእንቲ ኽንረክብሲ፡ ኣምላኽ ነዚ ኻብ ሰበይቲ እተወልደ ትሕቲ ሕጊውን ዝዀነ ወዱ ለኣኾ። 6ውሉድ ስለ ዝዀንኩም ከኣ፡ ኣምላኽ ነቲ፡ ኣባ፡ ኣቦ፡ ኢሉ ዝጽውዕ መንፈስ ወዱ ናብ ልብና ለኣኾ። 7ደጊም ብድሕርዚ ውሉድ እምበር፡ ባርያ ኣይኰንካን። ውሉድ ካብ ኰንካ ግና፡ ብክርስቶስ ወራሲ ኣምላኽ ኢኻ።
8ግናኸ በቲ ግዜ እቲ ንኣምላኽ ከይፈለጥኩምዎ ኸሎኹም፡ ባሮት እቶም ካብ ባህርዮም ኣማልኽቲ ዘይኰኑ ዀንኩም። 9ሕጂ ደኣ፡ ንኣምላኽ ምስ ፈለጥኩምዎ፡ ምናዳውን ንሱ ምስ ፈለጠኩም፡ ከመይ ኢልኩም ናብቲ ሕማቕን ድኻን ምህሮ ቝልዕነት ከም ብሓድሽ ትምለሱ ኣሎኹም፡ ከም ብሓድሽውን ካብ መጀመርታ ሒዝኩም ባሮቱ ኽትኰኑ ትደልዩ ኣሎኹም፧ 10መዓልትታትን ኣዋርሕን ግዜታትን ዓመታትን ትሕልዉ ኣሎኹም። 11ኣባኻትኩም ምናልባሽ ንኸንቱ ጽዒረ ኸይከውን፡ ብዛዕባኹም እፈርህ ኣሎኹ።
12ኣሕዋተየ፡ ከምቲ ኣነ ኸማኻትኩም ዝዀንኩ፡ ንስኻትኩምውን ከማይ ክትኰኑ፡ እልምነኩም ኣሎኹ። ሓንቲ እኳ ኣይገፋዕኩምንን። 13ግናኸ በቲ ቐዳማይ ግዜ ብምኽንያት ድኻም ስጋስ ወንጌል ከም ዝሰበኽኩልኩም፡ ትፈልጡ ኢኹም። 14ከም መልኣኽ ኣምላኽ፡ ከም ክርስቶስ የሱስ ጌርኩም ተቐበልኩምኒ እምበር፡ ነቲ ኣብ ስጋይ ንፈተና ዝዀነኩም ዝነበረ እኳ ኣይነዓቕኩምዎን፡ ኣይተጸየፍኩምዎን። 15ዝከኣል እንተ ዝኸውንሲ፡ ኣዒንትኩም ኣውጺእኩም እኳ ምሃብኩምኒ ኔርኩም፡ ኢለ እምስክረልኩም ኣሎኹ። እምብኣርሲ ኣበይ ደኣ ኣሎ ብጽእናኹም፧ 16እሞኸ ሓቂ ስለ ዝነገርኩኹምዶ ጸላኢ ዀይነኩም እየ፧ 17ምእንቲ ኽትቀንኡሎም ክኸልክሉኹም ይደልዩ ኣለዉ እምበር፡ ብጽቡቕ ሓሳብ ኣይኰነን ዝቐንኡልኩም ዘለዉ። 18ግናኸ ምሳካትኩም ከሎኹ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኵሉ ሳዕ ንጽቡቕ ምቕናእ ጽቡቕ እዩ። 19ደቀየ፡ ክርስቶስ ኣባኻትኩም ክሳዕ ዚሰኣል ከም ብሓድሽ እጽዕረልኩም ኣሎኹ። 20ብኣኻትኩም ዝገብሮ ጠፊኡኒ ኣሎኹ እሞ፡ ሕጂ ምሳኻትኩም ክህሉ ድምጸይውን ክልውጥ ምፈቶኹ።
21ኣቱም ትሕቲ ሕጊ ኽትኰኑ እትደልዩ፡ ንሕጊዶ ኣይትሰምዕዎን ኢኹም፧ እስኪ ንገሩኒ። 22ኣብርሃም ክልተ ወዲ ኸም ዝወለደ፡ እቲ ሓደ ኻብታ ባርያ፡ እቲ ሓደ ኸኣ ካብታ ጭዋ፡ ጽሑፍ እዩ። 23ግናኸ ወዲ እታ ባርያ ኸም ናይ ስጋ ተወልደ፡ ወዲ እታ ጭዋ ግና ብናይ ተስፋ እዩ እተወልደ። 24እዝስ ምስሊ እዩ፡ እዘን ኣንስቲ እዚኣተን ክልተ ኪዳን እየን። እታ ሓንቲ ኪዳን ካብ ደብረ ሲና ንባርነት እትወልድ፡ ንሳ ኣጋር እያ። 25ኣጋርሲ ኣብ ሃገር ዓረብ ደብረ ሲና እያ እሞ፡ ንሳ ነዛ ሎሚ ምስ ደቃ ኣብ ባርነት ዘላ የሩሳሌም ትመስል። 26እታ ናይ ላዕሊ የሩሳሌም ግና ጭዋ እያ እሞ፡ ንሳ ኣዴና እያ። 27ኣቲ ዘይወለድኪ መኻን፡ ተሓጐሲ፡ ካብ ደቂ እታ ሰብኣይ ዘለዋስ ደቂ እታ በይና ዘላ በዚሖም እዮም እሞ፡ ኣቲ ንምውላድ ዘይጸዓርኪ፡ እልል በሊ ጨድሪውን፡ ዝብል ጽሑፍ እዩ እሞ፡ 28ንሕና፡ ኣሕዋተየ፡ ከም ይስሃቅ ደቂ ተስፋ ኢና። 29ግናኸ ከምቲ ሽዑ እቲ ብናይ ስጋ እተወልደ ነቲ ብናይ መንፈስ እተወልደ ዝሰጐጎ፡ ሕጂውን ከምኡ እዩ። 30እቲ ጽሑፍከ እንታይ ይብል፧ ወዲ እታ ባርያ ምስ ወዲ እታ ጭዋ ኣይወርስን እዩ እሞ፡ ነታ ባርያ ምስ ወዳ ስደዳ። 31ስለዚ፡ ኣሕዋተየ፡ ደቂ እታ ጭዋ እምበር፡ ደቂ እታ ባርያ ኣይኰንናን።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ገላትያ ምዕራፍ 5
1ሓራ ምእንቲ ኽንከውንሲ፡ ክርስቶስ ሓርነት ኣውጺኡና እዩ። ስለዚ ጽንዑ፡ ከም ብሓድሽውን በርዑት ባርነት ኣይትቈረኑ።
2እንሆ፡ ኣነ ጳውሎስ፡ እንተ ተገዘርኩም፡ ክርስቶስ ገለ እኳ ኣይጠቕመኩምን እዩ፡ እብለኩም ኣሎኹ። 3ንዚግዘር ዘበለ ሰብውን፡ ንብዘሎ እቲ ሕጊ ኽገብሮ ኸም ዝግበኦ፡ ደጊመ እምስክር ኣሎኹ። 4ኣቱም ብሕጊ ኽትጸድቁ እትደልዩ፡ ካብ ክርስቶስ ተፈሌኹም፡ ካብ ጸጋ ወደቕኩም። 5ንሕናስ ብመንፈስ ካብ እምነት ናይ ጽድቂ ተስፋ ንጽበ ኣሎና። 6ብክርስቶስ የሱስሲ፡ እታ ብፍቕሪ እትገብር እምነት ደኣ እምበር፡ ግዝረት ኰነ ወይ ዘይግዝረት ሓደ ግዛዕ ኣይከኣሎን እዩ።
7ጽቡቕ ትጐዩ ኔርኩም። ንሓቂ ኸይትእዘዝዋ ደኣ መን ዓገተኩም፧ 8እዚ ምሕባልዚ ኻብቲ ዝጸውዓኩም ኣይመጸን። 9ሒደት ማይ ብሑቕ ንብዘሎ እቲ ብሑቕ የብኵዖ እዩ። 10ኣነ፡ ገለ ኻልእ ከይትሓስቡ፡ ብኣኻትኩም ኣብ ጐይታ ተኣሚነ ኣሎኹ። እቲ ዘዕገርግረኩም ግና፡ ዝዀነ ይኹን፡ ፍርዱ ኽጸውር እዩ። 11ኣሕዋተየ፡ ኣነ ገና ግዝረት እሰብኽ እንተ ዝህሉ ደኣ፡ እንታይ ኢሎም ሕጂ ዝሰጉኒ፧ እምብኣርከ መዓንቀፊ መስቀል ተደርብዩ። 12ኣየ፡ እቶም ዘዕልዉኹም ኰታ እንተ ዝቝረጹ።
13ኣሕዋተየ፡ ንስኻትኩም ንሓርነት ጽውዓት ኢኹም እሞ፡ ንሓድሕድኩም ብፍቕሪ ተገዛዝኡ እምበር፡ ነቲ ሓርነትሲ ንስጋ ምኽንያት ኣይትግበርዎ። 14ማለት ኵሉ እቲ ሕጊ፡ ብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅር፡ ብትብል ሓንቲ ቓል ይፍጸም እዩ። 15ንሓድሕድኩም እንተ ተናኸስኩምን ተባላዕኩምን ግና፡ ንሓድሕድኩም ከይትጣፍኡ ተጠንቀቑ።
16ኣነስ፡ ብመንፈስ ተመላለሱ እሞ ትምኒት ስጋ ኣይክትፍጽሙን ኢኹም፡ እብለኩም ኣሎኹ። 17ስጋ ነቲ ምስ መንፈስ ዝጻረር ይምነ፡ መንፈስውን ነቲ ምስ ስጋ ዝጻረር እዩ ዝምነ። ነቲ እትደልይዎ ምእንቲ ኸይትገብሩ፡ እዚኣቶም መጻርርቲ እዮም። 18ብመንፈስ እንተ ተመራሕኩም ግና፡ ትሕቲ ሕጊ ኣይኰንኩምን። 19እቲ ግብሪ ስጋ ግሁድ እዩ፡ ንሱ ኸኣ ምንዝር፡ ርኽሰት፡ ዕብዳን፡ 20ኣምልኾ ጣኦት፡ ጥንቈላ፡ ጽልኢ፡ ባእሲ፡ ቅንኢ፡ ቍጥዓ፡ ሻራ፡ ምፍልላይ፡ ዝርግርግ፡ 21ቅንኣት፡ ቅትለት፡ ስኽራን፡ ጓይላ፡ ከምዚ ዘመሰለ ኻልእውን እዩ። እቶም ከምዚ ዘመሰለ ዝገብሩ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋ፡ ከምቲ ቐደም ዝበልክዎ ኣቐዲመ እብለኩም ኣሎኹ። 22እቲ ፍረ መንፈስ ግና ፍቕሪ፡ ሓጐስ፡ ዕርቂ፡ ዓቕሊ፡ ለውሃት፡ ሕያውነት፡ እምነት፡ ህድኣት፡ ይኣኽለኒ ምባል እዩ። 23ነዚ ኸምዚ ዘመሰለ ዝጻረሮ ሕጊ የልቦን። 24እቶም ናይ ክርስቶስ ዘበሉ ኸኣ ነቲ ስጋኦም ምስናይ ፍትወቱን ትምኒቱን ሰቒሎምዎ እዮም።
25ህይወት ብመንፈስ እንተ ኣልያትናስ፡ ብመንፈስ ከኣ ንመላለስ። 26ንሓድሕድና ብምትሕርራቕን ብምቅንናእንሲ ውዳሴ ኸንቱ ኣይንድለ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ገላትያ ምዕራፍ 6
1ኣሕዋተየ፡ ሰብ ብሓደ በደል እንተ ተታሕዘ፡ ነዚ ኸምዚ ዝበለ፡ ንስኻትኩም መንፈሳውያን፡ ብህዱእ መንፈስ ጌርኩም ኣቕንዕዎ። ንስኻውን ከይትፍተን፡ ንርእስኻ ተጠንቀቕ። 2-3ሓደ ገለ ዘይኰነስ ገለ ኸም ዝዀነ እንተ መሰሎ፡ ንርእሱ ይጥብር ኣሎ፡ እምብኣርከ ጾር ሓድሕድኩም ጹሩ፡ ከምኡውን ሕጊ ክርስቶስ ፈጽሙ። 4-5ነፍሲ ወከፍ ጸጾሩ ኽጸውር እዩ እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ነታ ግብሪ ርእሱ ይመርምር፡ ሽዑ ብናይ ካልእ ዘይኰነስ፡ በታ ናይ ርእሱ ጥራይ ትምክሕቲ ኽረክብ እዩ።
6እቲ ቓል ዝምሃር ግና ነቲ ዝምህሮ ኻብ ጽቡቕ ነገር ዘበለ የማቕሎ። 7ሰብ ነቲ ዝዘርኦ ንእኡ ኸኣ ክዓጽዶ እዩ እሞ፡ ኣይትጠበሩ፡ ኣምላኽ ኣይዕሾን እዩ። 8እቲ ንስጋኡ ኢሉ ዚዘርእ ካብቲ ስጋስ ጥፍኣት ክዓጽድ እዩ፡ እቲ ንመንፈሱ ኢሉ ዝዘርእ ግና ካብቲ መንፈስ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክዓጽድ እዩ። 9እንተ ዘይተጸልኣናስ፡ ብጊዚኡ ክንዓጽድ ኢና እሞ፡ ንሰናይ ግብሪ ኣይንሰልኪ። 10እምበኣርሲ ግዜ ኸሎና፡ ንዅሉ ሰብ፡ ምናዳ ግና ነቶም ኣመንቲ ስድራ ቤት ሰናይ ንግበር።
11ብኸመይ ዝበለ ገዘፍቲ ፍዴላት ብኢደይ ከም ዝጸሓፍኩልኩም፡ ርኣዩ።
12እቶም ንሰብ ብስጋ ባህ ከብሉ ዝደልዩ ዘበሉ ዅላቶም ምእንቲ መስቀል ክርስቶስ ከይስጐጉ ኢሎም ጥራይ እዮም ክትግዘሩ ብግዲ ዝብልኹም ዘለዉ። 13ንሳቶም ብስጋኹም ምእንቲ ኽምክሑ፡ ክትግዘሩ ይደልዩኹም ኣለዉ እምበር፡ እቶም ግዙራት እኳ ባዕላቶም ሕጊ ኣይሕልዉን እዮም። 14-15ብክርስቶስ የሱስ እቲ ሓድሽ ፍጥረት ደኣ እዩ እምበር፡ ግዝረት ኰነ ወይስ ዘይግዝረት ሓደ ግዛዕ የብሉን እሞ፡ በቲ መስቀል ጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ዓለም ብእኡ ንኣይ እተሰቕለት ኣነውን ንዓለም እተሰቐልኩ እንተ ዘይኰነስ፡ ትምክሕቲ ዘበለ ካባይ ይርሓቕ። 16ኣብቶም በዛ መገዲ እዚኣ ዝኸዱ ዘበሉን ኣብቶም ናይ ኣምላኽ እስራኤልን ሰላምን ምሕረትን ይውረድ።
17ኣነስ ዕላመት የሱስ ኣብ ስጋይ እጸውር ኣሎኹ እሞ፡ ድሕሪ ሕጂ ሓደ እኳ ላሕ ኣየብለኒ።
18ኣሕዋተየ፡ ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምስ መንፈስኩም ይኹን። ኣሜን።
መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ኤፌሶን
1 2 3 4 5 6
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ኤፌሶን ምዕራፍ 1
1ጳውሎስ፡ ብፍቓድ ኣምላኽ ሃዋርያ ክርስቶስ የሱስ፡ ነቶም ኣብ ኤፌሶን ዘለዉ ቅዱሳንን ብክርስቶስ የሱስ እሙናትን፥ 2ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ካብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ምሳኻትኩም ይኹን።
3እቲ ብመንፈሳዊ በረኸት ዘበለ ብክርስቶስ ገይሩ ኣብ ሰማያት ዝባረኸና ኣምላኽን ኣቦ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ብሩኽ ይኹን። 4ከምቲ ብፍቕሪ ኣብ ቅድሚኡ ቅዱሳንን መንቕብ ዘይብሎምን ምእንቲ ኽንከውን፡ ቅድሚ ምስራት ዓለም ብእኡ ዝሓረየና፡ 5-6በቲ ፍቁር ብእኡ ዝጸገወና፡ ንውዳሴ ኽብሪ ጸጋኡ ብፍታው ፍቓዱ ብየሱስ ክርስቶስ ንርእሱ ውሉድ ክንኰኖ ቐደም መደበና። 7ብእኡ ብደሙ ምድሓን፡ ማለት፡ ከምቲ ሃብቲ ጸጋኡ ሕድገት ሓጢኣት ኣሎና። 8-10ከምቲ ብእኡ ዝመደቦ ስምረቱ፡ ነቲ ምስጢር ፍቓዱ እናኣፍለጠና፡ ነቲ ናይ ምልኣት ዘመናት መጋቢነቱ፡ ኣብ ሰማይ ዘሎን ኣብ ምድሪ ዘሎን፡ ኣብ ክርስቶስ ምእንቲ ኽጥቕለልሲ፡ ብዅሉ ጥበብን ብዅሉ ኣእምሮን ነዚ ጸጋኡ ኣባና ኣውሓዞ። 11-12ንሕና ቐደም ብክርስቶስ ተስፋ ዝገበርና ንውዳሴ ክብሩ ምእንቲ ኽንከውን፡ ንሕና በቲ ዅሉ ኸምቲ ምኽሪ ፍቓዱ ብሓሳቡ ዝገብር ቀደም እተመደብና፡ ነቲ ዕድል ርስቲ ብእኡ ረኸብናዮ። 13ንስኻትኩምውን ብእኡ ቓል ሓቂ፡ ናይ ምድሓንኩም ወንጌል፡ ምስ ሰማዕኩም ብእኡውን ምስ ኣመንኩም፡ ብናይ ተስፋ መንፈስ ቅዱስ ተሓተምኩም። 14ንሱ ንምድሓን ጥሪቱ፡ ንውዳሴ ኽብሩ፡ ዕርቡን ርስትና እዩ።
15ስለዚ ኸኣ ኣነ እታ ብጐይታና የሱስ ኣባኻትኩም ዘላ እምነትን ንዅሎም ቅዱሳን ዘሎኩም ፍቕርን ምስ ሰማዕኩ፡ 16ብጸሎተይ እናዘከርኩኹም ከየብኰርኩ ስሌኹም አመስግን ኣሎኹ። 17ኣምላኽ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኣቦ ኽብሪ ብፍልጠቱ መንፈስ ጥበብን መንፈስ ምግላጽን ምእንቲ ክህበኩም፡ 18እሞ ኣዒንቲ ልብኹም በሪሁ፡ ተስፋ ጽውዓኡ እንታይ ምዃኑ፡ ሃብቲ ርስቲ ኽብሩ ኣብ ቅዱሳንውን እንታይ ምዃኑ ኽትፈልጡ፡ እጽሊ ኣሎኹ። 19-21ኣምላኽ ንክርስቶስ ካብ ምዉታት ኣተንሲኡ፡ ኣብ የማኑ ኣብ ሰማያት ምስ ኣቐመጦ፡ ኣብታ እትመጽእውን እምበር፡ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ሽመትን ስልጣንን ሓይልን ጐይትነትን ዝስመ ዘበለ ስምን ምስ ኣርኣሶ፡ ነቲ ሕልፊ ዘለዎ ዓብዪ ሓይሊ ኣባና እንኣምን ዘሎና ኸም ስልጣን ሓይሉ ኣብ ክርስቶስ ዝገበሮ ግብሪ ንስኻትኩም እንታይ ምዃኑ ኽትፈልጥዎ፡ እጽልየልኩም ኣሎኹ። 22ንብዘሎ ኸኣ ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩ ኣግዝኦ፡ ኣብ ልዕሊ ዅሉስ ርእሲ ምእንቲ ክኸውን ድማ፡ ነታ ማሕበር ወፈዮ። 23ንሳ ኸኣ ስጋኡ ናይቲ ዅሉ ኣብ ኵሎም ዝመልእ ምልኣቱ እያ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ኤፌሶን ምዕራፍ 2
1-2ንስኻትኩም ቀደም ከም ንብረት እዛ ዓለም እዚኣ፡ ከምቲ መንፈሱ ሕጂ ኣብቶም ደቂ ዘይምእዛዝ ዝገብር ዘሎ ሓለቓ ስልጣን ኣየር እተመላለስኩም፡ ብበደልኩምን ብኣበሳኹምን ምዉታት ዝነበርኩም፡ ንኣኻትኩም ህያዋን ገበረኩም። 3ንሕና ዅላትና ኸኣ ነቲ ናይ ስጋን ናይ ሓሳባትን ድሌት እናገበርና፡ ቀደም ብትምኒት ስጋና ምሳታቶም ንነብር ነበርና፡ ከምቶም ካልኦትውን ብባህርይና ደቂ ቝጥዓ ነበርና። 4ግናኸ እቲ ብምሕረት ሃብታም ዝዀነ ኣምላኽ ምእንቲ እታ ብእኣ ዘፍቀረና ዓባይ ፍቕሩ፡ 5ንሕና፡ ብበደልና ምዉታት ከሎናስ፡ ምስ ክርስቶስ ህያዋን ገበረና፡ብጸጋ ኢኹም ዝደሓንኩም: 6-7ምስኡውን ኣተንስኣና፡ ኣብቲ ዝመጽእ ዘመናት ብሕያውነቱ እቲ ብሉጽ ሃብቲ ጸጋኡ ብክርስቶስ የሱስ ኣባታትና ምእንቲ ኸርኢ፡ ኣብ ሰማያት ብክርስቶስ የሱስ ምስኡ ኣቐመጠና። 8-9ሓደ እኳ ኸይምካሕሲ፡ ካብ ግብሪ ኣይኰነን እሞ፡ ብእምነት ብጸጋ ኢኹም ዝደሓንኩም፡ እዚ ኸኣ ውህበት ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ካባኻትኩም ኣይኮነን። 10ፍጡራቱ ኢና እሞ፡ ነቲ ኣምላኽ ክንመላለሰሉ ኢሉ ቐደም ዘዳለዎ ሰናይ ግብሪ ብክርስቶስ የሱስ እተፈጠርና ኢና።
11ስለዚ ኸኣ፡ ኣቱም ኣህዛብ ብስጋ፡ በታ ኢድ ኣብ ስጋ እትገብራ ግዝረት እትብሃል ቀደም ዘይግዝረት ከም እተብሃልኩም፡ ዘክሩ። 12በቲ ዘመን እቲ ብዘይ ክርስቶስ ከም ዝነበርኩም፡ ካብ ሕብረት እስራኤል ፍሉያት፡ ነታ ኪዳን ተስፋውን ኣጋይሽ፡ ትጽቢት ዘይብሎም፡ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ብዘይ ኣምላኽ ከም ዝነበርኩም ዘክሩ። 13ሕጂ ግና፡ ኣቱም ቀደም ርሑቓት ዝነበርኩም፡ ንስኻትኩም ብክርስቶስ የሱስ ብደም ክርስቶስ ቀረብኩም። 14ንሱ ነዞም ክልተስ ሓደ ዝገበረ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ዝነበረ ኸልካሊ ቐጽሪውን ዘፍረሰ፡ ሰላምና እዩ እሞ፡ 15ብርእሱ ዕርቂ እናገበረ፡ ካብዞም ክልተ ሓደ ሓድሽ ሰብ ምእንቲ ኽፈጥር፡ ነቲ ጽልኢ፡ ንሱ ኸኣ ሕጊ ትእዛዝ ብስርዓት፡ ብስጋኡ ስዒሩ፡ 16ብመስቀሉውን ነቲ ጽልኢ ብእኡ ቐቲሉ፡ ንኽልቲኦም ብሓደ ስጋ ምስ ኣምላኽ ኣተዓረቖም። 17-18ንኽልቴና ብእኡ ብሓደ መንፈስ ናብ ኣቦ መእተዊ ስለ ዘሎና ኸኣ፡ ንኣኻትኩም ርሑቓት ዝነበርኩም መጺኡ ሰላም ኣበሰረኩም፡ ነቶም ቀረባ ዝነበሩውን ሰላም ኣበሰሮም።
19-20እምብኣርሲ ንስኻትኩም ኣብቲ የሱስ ክርስቶስ ባዕሉ እምኒ መኣዝኑ ዝዀነ መሰረት ነብያትን ሃዋርያትን እተነደቕኩም፡ ደጊም ደቂ ዓዶም ንቕዱሳንን ስድራ ቤቱ ንኣምላኽን ኢኹም እምበር፡ ኣጋይሽን መጻእተኛታትን ኣይኰንኩምን። 21ኣብኡ ብዘሎ እቲ ህንጻ ብጐይታ ቅድስቲ ቤተ መቕደስ ምእንቲ ክኸውን፡ እናተኣሳሰረ ይዓቢ እዩ። 22ንስኻትኩምውን ኣብኡ ማሕደር ኣምላኽ ብመንፈስ ክትኰኑ ሓቢርኩም ትህነጹ ኣሎኹም።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ኤፌሶን ምዕራፍ 3
1ስለዚ ኣነ ጳውሎስ፡ ምእንታኹም ኣህዛብ ናይ የሱስ ክርስቶስ እሱር፡ 2-3ቀደም ኣሕጺረ ኸም ዝጸሓፍኩ፡ እቲ ምስጢር ከመይ ኣቢሉ ብራእይ ከም ዘፍለጠኒ ብዛዕባ እቲ ስሌኻትኩም እተዋህበኒ መጋቢነት ጸጋ ኣምላኽ ሰሚዕኩምዎ እንተ ዄንኩምሲ፡ 4ምስ ኣንበብኩምዎ፡ ነቲ ኣብ ምስጢር ክርስቶስ ዘሎኒ ፍልጠት ከተስተውዕልዎ ይዀነልኩም እዩ። 5ከምቲ እዚ ሕጂ ነቶም ቅዱሳኑ ሃዋርያቱን ነብያቱን ብመንፈስ እተገልጸሎም ኰይኑ፡ ኣብቶም ካልኦት ወለዶ ንደቂ ኣዳም ኣይተፈልጠን። 6ማለት፡ ኣህዛብሲ መዋርስቲ፡ ሓደ ስጋ፡ ብወንጌልውን ኣብ የሱስ ክርስቶስ መማቕልቲ ተስፋ ኸም ዝዀኑ፡ 7ኣነ፡ ከም ግብሪ ሓይሉ፡ ከምቲ እተዋህበኒ ውህበት ጸጋ ኣምላኽ፡ ኣገልጋሊ ወንጌል ኰንኩ። 8ንኣይ፡ ካብ ኵሎም ቅዱሳን ለጠቕ ንዝብል፡ እቲ ዘይምርመር ሃብቲ ክርስቶስ ነህዛብ ክሰብኽ፡ እዚ ጸጋ እዚ ተዋህበኒ። 9እቲ ኣብቲ ዅሉ ዝፈጠረ ኣምላኽ ካብ ዘለኣለም ተሰዊሩ ዝነበረ ምስጢር መጋቢነትውን ከመይ ምዃኑ ንዅሎም ከብርሃሎም ተዋህበኒ። 10ኣምላኽ እታ ብዙሕ ዝዓይነታ ጥበብ ሕጂ በታ ማሕበር ገይሩ ነቶም ኣብ ሰማያት ዘለዉ ሽመታትን ስልጣናትን ምእንቲ ኸፍልጦም፡ 11ከምቲ ብክርስቶስ የሱስ ጐይታና ዝገበሮ ናይ ዘለኣለም ምኽሩ፡ 12ሳላ ብክርስቶስ ምእማንና ንሕና ትብዓትን ብእሙንቶ ምእታው ብእኡ ኣሎና። 13ስለዚ፡ ክብረትኩም እዩ እሞ፡ በቲ ምእንታኹም ዝበጽሓኒ ጸበባይ ከይትስልክዩ፡ እልምነኩም ኣሎኹ።
14-15ምእንትዚውን ናብቲ ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ዘሎ ዅሉ ወለዶታት ካብኡ ዝስመ ኣቦ ብብርከይ እምብርከኽ ኣሎኹ። 16ብመንፈሱ ኣብቲ ናይ ውሽጢ ሰብ ብሓይሊ ምእንቲ ኽትብርትዑ፡ ከምቲ ሃብቲ ኽብሩ ኽህበኩም እጽሊ ኣሎኹ። 17ክርስቶስ ኣብ ልብኹም ብእምነት ምእንቲ ኽሓድር፡ ኣብ ፍቕሪ ሱር ሰዲድኩምን ተሰሪትኩምን፡ 18ምስ ኵሎም ቅዱሳን ምግፋሑን ምንዋሑን ምዕማቑን ቍመቱን እንታይ ምዃኑ ምስትውዓል ክትክእሉ፡ 19እሞ ነታ ንፍልጠት ሓለፍ እትብላ ፍቕሪ ክርስቶስ ክትፈልጥዋ፡ ክሳዕ ኵሉ ምልኣት ኣምላኽ ምእንቲ ኽትመልኡ፡ እጽሊ ኣሎኹ።
20ግናኸ ከምቲ ኣባና ዝገብር ሓይሊ፡ ካብቲ ንሕና እንልምኖን እንሓስቦን ዘበለ እምብዛ ኣዕዚዙ ኽገብር ዝከኣሎ፡ 21ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ንዅሉ ውሉድ ወለዶታት ኣብታ ማሕበር ብክርስቶስ የሱስ ንእኡ ኽብሪ ይኹኖ። ኣሜን።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ኤፌሶን ምዕራፍ 4
1ደጊም ኣነ እሱር ብጐይታ፡ ነቲ እተጸዋዕኩምሉ ጽውዓ ብቑዓት ኴንኩም ክትመላለሱ እምዕደኩም ኣሎኹ። 2ብትሕትና ዘበለን ብለውሃትን ብህድኣትን ንሓድሕድኩም ብፍቕሪ እናተጻወርኩም፡ 3ነቲ ሕብረት መንፈስ ብማእሰር ሰላም ጌርኩም ክትሕልውዎ፡ ተጋደሉ። 4ከምቲ ብሓንቲ ተስፋ ጽውዓኹም እተጸዋዕኩም ድማ፡ ሓደ ስጋን ሓደ መንፈስን እዩ፡ 5ሓደ ጐይታ፡ ሓንቲ እምነት፡ ሓንቲ ጥምቀት፡ 6እቲ ልዕሊ ዅሉን ብዅሉን ኣብ ኵሉን ዘሎ ሓደ ኣምላኽን ኣቦ ዅሉን ንሱ እዩ። 7ግናኸ ብመስፈር ውህበት ክርስቶስ ንነፍሲ ወከፍና ጸጋ ተውሂቡ እዩ። 8ስለዚ ኸኣ፡ ናብ ላዕሊ ምስ ደየበ፡ ምርኮ ማረኸ ንሰብውን ውህበት ሃበ፡ ይብል። 9እዚ፡ ደየበ፡ ዝብል ግና፡ ናብቲ መዓሙቝ ክፍሊ ምድሪውን ምውራዱ እንተ ዘይኰይኑስ፡ እንታይ ማለት እዩ፧ 10እቲ ዝወረደ፡ ንዅሉ ምእንቲ ኽመልእ፡ ልዕሊ ዅሉ ሰማያት ዝደየበውን ንሱ እዩ። 11-13ኵላትና ናብ ሕብረት እምነት፡ ናብ ፍልጠት ወዲ ኣምላኽ፡ ናብ እኹል ሰብኣይ፡ ናብ ልክዕ ምልኣት ብጽሕና ክርስቶስ ክሳዕ እንበጽሕ፡ እቶም ቅዱሳን ነቲ ግብሪ ኣገልግሎት ንምህናጽ ስጋ ክርስቶስ ምሉኣት ምእንቲ ክዀኑ ኢሉ፡ ንሱ ገሊኦም ሃዋርያት ገሊኦም ድማ ነብያት፡ ገሊኦም ከኣ ወንጌላውያን፡ ገሊኦምውን ጓሶትን መምህራንን ክዀኑ ሃበ። 14ድሕሪ ሕጂ ንሕና በቲ ኻብቲ ብምጥባር ሰብን ንምፍሓስ ስሕተት ዝኸውን ተንኰልን ዝመጽእ ናይ ትምህርቲ ዅሉ ንፋስ ንየው ነጀው እንድፋእን እንኽብከብን ቈልዑ ምእንቲ ኸይንኸውንሲ፡ 15ብፍቕሪ ንሓቂ እናሰዓብና፡ ናብቲ ርእሲ ዝዀነ ክርስቶስ ንዕበ። 16ብዘሎ እቲ ስጋ ብደገፍ እቲ መመላገቢኡ እናተታሓሓዘን እናተኣሳሰረን፡ ብመጠን እቲ ነንኽፍሉ እተመደበሉ ግብሪ ብፍቕሪ ምእንቲ ኽህነጽሲ፡ ካብ ክርስቶስ እዩ ምዕባይ ዝረክብ።
17እምበኣርሲ ኸምቲ ኣህዛብ ብናይ ክንቱ ሓሳቦም ዝመላለስዎ ኸይትመላለሱ፡ እዚ እብል ብጐይታውን እምስክር ኣሎኹ። 18ንሳቶም፡ ብሰሪ ትሪ ልቦምን ብሰሪ እቲ ኣባታቶም ዘሎ ድንቍርናን ኣእምሮኦም ጸልሚቱ፡ ካብ ህይወት ኣምላኽ ርሒቖም፡ 19ድንዙዛት ኰይኖምውን ብስስዐ ርኽሰት ዘበለ ንምግባር ናብ ዕብዳን ተለቁ። 20ንስኻትኩም ግና ንክርስቶስ ከምዚ ጌርኩም ኣይተመሃርኩምዎን። 21እታ ሓቂ ኣብ የሱስ ከም ዘላ ሰሚዕኩምዋን ኣብኡ ተማሂርኩምዋን እንተ ዄንኩምሲ፡ 22ነቲ ቐደም እተመላለስኩምሉ፡ ብትምኒት ስሕተት ዝጠፍእ ኣረጊት ሰብ ቀንጢጥኩም፡ 23በቲ ናይ ኣእምሮኹም መንፈስ ክትሕደሱ እሞ፡ 24እቲ ብናይ ሓቂ ጽድቅን ቅድስናን ብመልክዕ ኣምላኽ እተፈጥረ ሓድሽ ሰብ ልበሱ። 25ስለዚ ኸኣ ንሓሶት ንየው በልዎ፡ ኣካል ሓድሕድ ኢና እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ምስ ብጻዩ ሓቂ ተዛረቡ። 26ኰርዩ ሓጢኣት ከኣ ኣይትግበሩ። ኣብቲ ዅራኹም ጸሓይ ኣይትዕረብኩም። 27ንድያብሎስ ከኣ ስፍራ ኣይትሃብዎ። 28እቲ ዝሰረቐ፡ ነቲ ስኡን ዘማቕሎ ምእንቲ ኽህልዎስ፡ ጽቡቕ እናገበረ ደኣ በእዳዉ ይጽዓር እምበር፡ ደጊምሲ ኣይስረቕ። 29እቲ ንሰማዕቱ ንበረኸት ዝኸውን፡ ንምህናጽውን ዘድሊ ሰናይ ዘበለ ዘረባ ደኣ ተዛረቡ እምበር፡ ዘይጠቅም ዘረባስ ካብ ኣፍኩም ኣይውጻእ። 30ነቲ ንመዓልቲ ምድሓን እተሓተምኩምሉ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ኣይተጕህይዎ። 31ብዘሎ መሪርን ነድርን ኵራን ታዕታዕን ጸርፍን ምስ ኵሉ ኽፍኣት ዘበለ ኻባኻትኩም ይርሓቕ። 32ግናኸ ከምቲ ኣምላኽ ብክርስቶስ ይቕረ ዝበለልኩም፡ ንሓድሕድኩም ተላዋህትን ተዳናገጽትን ኴንኩም፡ ይቕረ ተባሃሃሉ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ኤፌሶን ምዕራፍ 5
1ደጊም ከም ፍቁራት ውሉድ ሰዓብቲ ኣምላኽ ኩኑ። 2ከምቲ ክርስቶስ ዘፍቀረኩም፡ ነፍሱውን መባእን መስዋእትን ገይሩ ንኣምላኽ ንምዑዝ ጨና በጃና ዘሕለፈ፡ ከምኡ ብፍቕሪ ተመላለሱ። 3ከምቲ ንቕዱሳን ዝግባኦም ምስጋና ደኣ እምበር፡ ምንዝርናን ኵሉ ርኽሰትን ወይስ ስስዐ ከቶ ኣይሰማዕኩም። 4ዘሕፍር ወይስ ዘረባ ዕሽነት ወይስ ዘይግባእ ዋዛውን ኣይሰማዕኩም። 5ኣመንዝራ ዘበለ፡ ወይ ርኹስ፡ ወይ ስሱዕ፡ ንሱ ድማ መምለኽ ጣኦት፡ ኣብ መንግስቲ ክርስቶስን ኣምላኽን ርስቲ ኸም ዘይብሉ ትፈልጡ ኣሎኹም። 6ብሰሪ እዚ ኣብቶም ደቂ ዘይምእዛዝ ቍጥዓ ኣምላኽ ይወርድ እዩ እሞ፡ ሓደ እኳ ብኸንቱ ዘረባ ኣየስሕትኩም። 7እምብኣርሲ ምሳታቶም ሕብረት ኣይሃሉኹም። 8-10ፍረ ብርሃን ብሰናይ ዘበለን ብጽድቅን ብሓቅን እዩ፡ ቀደም ጸልማት ኔርኩም ኢኹም እሞ፡ ብጐይታ ግና ሕጂ ብርሃን ኢኹም፡ ንጐይታ ዘሐጕሶ እናመርመርኩም፡ ከም ደቂ ብርሃን ኴንኩም ተመላለሱ። 11ግንሕዎም ደኣ እምበር፡ ነቲ ፍረ ዘይብሉ ግብሪ ጸልማትሲ ኣይትሕበርዎ። 12እቲ ብኣታቶም ብሕቡእ ዝግበር ንምዝራቡ እኳ ነውሪ እዩ። 13ግናኸ እቲ ግሁድ ዘበለ፡ ንሱ ብርሃን እዩ እሞ፡ ኵሉ ዝግናሕ ዘበለ በቲ ብርሃን ይገሃድ እዩ። 14ስለዚ ኸኣ፡ ኣታ ደቂስካ ዘሎኻ፡ ንቓሕ እሞ ካብ ምዉታት ተንስእ፡ ክርስቶስ ከኣ ከብርሃልካ እዩ፡ ይብል።
15-16እምብኣርሲ ቕንያቱ ኽፉእ እዩ እሞ፡ ግዜ ዓዲግኩም፡ ከም ለባማት እምበር፡ ከም ዓያሹ ዘይኰነ ኸመይ ብጥንቃቐ ኸም እትመላለሱ፡ ተመልከቱ። 17ምእንትዚ እቲ ፍቓድ ጐይታ እንታይ ምዃኑ ኣስተውዕሉ እምበር፡ ዓያሱ ኣይትኩኑ። 18-19ዝርገት ኣለዎ እሞ፡ ብወይኒ ኣይትስከሩ። ግናኸ ብመዝሙርን ምስጋናን ብመንፈሳዊ ቕኔን ብልብኹም ንጐይታ እናተቐኔኹምሉን እናደረስኩምሉን ንሓድሕድኩም እናተዛራረብኩምን፡ መንፈስ ይምላእኩም። 20ንኣምላኽን ነቦን ስለ ኵሉ ነገር ብስም ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኵሉ ሳዕ እናኣመስገንኩምዎ፡ 21ንሓድሕድኩም ብፍርሃት ክርስቶስ እዙዛት ኩኑ። 22-23ከምቲ ክርስቶስ ርእሲ ማሕበሩ ዝዀነ፡ ንሱ ምድሓን ስጋኡ ኸኣ እዩ፡ ሰብኣይ ከኣ ርእሲ ሰበይቱ እዩ እሞ፡ ኣትን ኣንስቲ፡ ከም ንጐይታ ጌርክን ንሰብኡትክን ተኣዘዞኦም። 24ከምቲ እታ ማሕበር ንክርስቶስ እትእዘዞ፡ ከምኡ ድማ ኣንስቲ ንሰብኡተን ብዅሉ ይተኣዘዞኦም። 25-27ከምቲ ክርስቶስ ንማሕበሩ ዘፍቀራ፡ ኣቱም ሰብኡት፡ ኣንስትኹም ኣፍቅሩ። ክርስቶስ ብቓሉ ገይሩ ብምሕጻብ ማይ ምስ ኣጽረያ ምእንቲ ክቕድሳ፡ ርስሓት ወይስ ዕጣር ወይስ ገለ ነዚ ዝመስል ዘይብላ፡ ብዘይ መንቅብ ቅድስትን ክብርትን ማሕበር ገይሩ ንእኡ ምእንቲ ከቕውማ ኢሉ፡ ርእሱ በጃኣ ሃበ። 28ሰብኡትውን ከምኡ፡ ነተን ኣንስቶም ከም ስጋኦም ገይሮም ከፍቅርወን ይግባኦም እዩ። 29-30ሰብ ንስጋኡ ይምግቦን ይካናኸኖን እምበር፡ ሓደ እኳ ዝጸልኦ የልቦን። ኣካላት ስጋኡ ስለ ዝዀንና፡ ክርስቶስ ከምኡ ንማሕበሩ ይካናኸና ኣሎ። 31ስለዚ ሰብኣይ ኣቦኡን ኣዲኡን ሓዲጉ ምስ ሰበይቱ ይለግብ፡ ክልቲኦምውን ሓደ ስጋ እዮም ዝዀኑ። 32እዚ ምስጢር እዚ ዓብዪ እዩ፡ ኣነ ግና ብናይ ክርስቶስን ማሕበሩን እብሎ ኣሎኹ። 33ንስኻትኩምውን ከምኡ ነፍሲ ወከፍኩም ነታ ሰበይቱ ኸም ነፍሱ ገይሩ የፍቅራ፡ እታ ሰበይቲውን ንሰብኣያ ትፍርሃዮ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ኤፌሶን ምዕራፍ 6
1ኣቱም ውሉድ፡ እዚ ቕኑዕ እዩ እሞ፡ ንወለድኹም ብጐይታ ተኣዘዝዎም። 2ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር፡ 3ጽቡቕ ክዀነልካ፡ ኣብ ምድሪውን ዕድሜኻ ኽነውሕ፡ እዚ ተስፋ ዘለዎ ቐዳማይ ትእዛዝ እዩ። 4ኣቱም ኣቦታትውን፡ ነቶም ውሉድኩም ብናይ ጐይታ ተግሳጽን ምዕዶን ደኣ ኣዕብይዎም እምበር፡ ኣይተዀርይዎም።
5ኣቱም ግዙኣት፡ ነቶም ብስጋ ጐይቶትኩምሲ ብፍርሃት ብምንቅጥቃጥን፡ ብገርህነት ልብኹም ከም ንክርስቶስ ጌርኩም፡ ተኣዘዝዎም። 6ከም ግዙኣት ክርስቶስ ኴንኩም ነቲ ፍቓድ ኣምላኽ ካብ ልቢ እትገብርዎ ደኣ እምበር፡ ንሰብ ባህ ከም እተብሉ ብገጽርኤ ኣይኰነን። 7ንሰብ ዘይኰነስ ከም ንጐይታ ጌርኩም ብፍታው ተገዝኡ። 8ባርያ ዀነ ጭዋ ዀነ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰናይ ዝገበረ ኻብ ጐይታ ኸም ዝቕበሎ፡ ፍለጡ። 9ኣቱም ጐይተትውን፡ ከምኡ ግበሩሎም፡ እቲ ጐይታኦምን ጐይታኹምን ኣብ ሰማይ ምህላዉ እሞ ኣብኡ ኣድልዎ ገጽ ከም ዘይልቦ ፈሊጥኩም፡ ምፍርራህ ሕደጉ።
10ብዝተረፈስ፡ ኣሕዋተይ፡ ብጐይታን ብጽንዓት ሓይሉን በርትዑ። 11-12እቲ ቕልስና ምስ ሕልቅነትን ስልጣናትን ምስ ናይ ጸልማት ገዛእቲ ዓለምን ምስ መናፍስቲ እከይን ኣብ ሰማያት እዩ እምበር፡ ምስ ስጋን ደምን ኣይኰነን እሞ፡ ንፍሕሶ ሰይጣን ምቅዋሙ ምእንቲ ኽትክእሉስ፡ ኵሉ ኣጽዋር ኣምላኽ ልበሱ። 13ስለዚ በታ እክይቲ መዓልቲ ምቅዋም ምእንቲ ኽትክእሉ፡ ኵሉ ምስ ኣስለጥኩምውን ደው ክትብሉስ፡ ብዘሎ ኣጽዋር ኣምላኽ ኣልዕሉ። 14ደጊም ሕቜኹም ብሓቂ ተዓጢቕኩም ድርዒ ጽድቂውን ተኸዲንኩም ቁሙ። 15ነቲ ናይ ወንጌል ሰላም ምድላዉ ኣብ ኣእጋርኩም ከም ኣሳእን ኣእቲኹም ደው በሉ። 16ምስናይ እዚ ዅሉ ነቲ ናይቲ ኽፉእ ርሱን መንትግ ዘበለ ኸተጥፍኡሉ እትኽእሉ ዋልታ እምነት ኣልዕሉ። 17ናይ ምድሓን ቍራዕ ርእሲ ኣእትዉ፡ ናይ መንፈስ ሰይፊውን፡ ማለት ቃል ኣምላኽ፡ ሓዙ። 18ብዅሉ ጸሎትን ልማኖን ኵሉ ሳዕ ብመንፈስ እናጸሌኹም እሞ፡ ምስናይ እዚውን ብኵሉ እናተጸመምኩም፡ ስለ ዅሎም ቅዱሳን ብጸሎት ንቕሑ፡ 19ምእንታይውን፡ ኣፈይ ምስ ከፈትኩስ፡ ነቲ ምስጢር ወንጌል ብትብዓት ክነግር ቃል ክውሃበኒ፡ 20ብዛዕብኡ ብመቝሕ እተኣሰርኩ ልኡኽ እየ እሞ፡ ከም ዝግብኣኒ ዀይነ ንምዝራብ ብእኡ ኽተብዕ፡ ጸልዩለይ።
21ግናኸ ንስኻትኩም ህልዋተይ ከመይ ከም ዘሎኹ ምእንቲ ኽትፈልጡ፡ ትኪቆስ፡ እቲ ፍቁር ሓወይን ብጐይታውን እሙን ኣገልጋልን፡ ኵሉ ኽነግረኩም እዩ። 22ወሬና ምእንቲ ኽትፈልጡን ልብኹም ክጸናናዕን እየ ናባኻትኩም ዝሰደድክዎ።
23ሰላምን ፍቕርን ምስ እምነት ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ካብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ነሕዋት ይኹን። 24ምስቶም ንጐይታና የሱስ ክርስቶስ ብዘይሓልፍ ዘፍቅርዎ ዅሎም ጸጋ ይኹን።
መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ፊሊጲ
1 2 3 4
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ፊሊጲ ምዕራፍ 1
1ጳውሎስን ጢሞቴዎስን ባሮት የሱስ ክርስቶስ ናብቶም ኣብ ፊልጲ ብክርስቶስ የሱስ ዘለዉ ዅላቶም ቅዱሳን፡ ምስ ኤጲስቆጶሳትን ዲያቆናትን፡ 2ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ካብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ምሳኻትኩም ይኹን።
3-4ብዝዘከርኩኹም ዘበለ ግዜ ኣብ ኵሉ ጸሎተይ ምእንቲ ዅላኩም ብሓጐስ ጸሎት እናገበርኩ፡ ኵሉ ሳዕ ንኣምላኸይ አመስግን ኣሎኹ። 5ስለቲ ሕብረትኩም ንምስፋሕ ወንጌል ካብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ኽሳዕ ሕጂ፡ 6እቲ ኣባኻትኩም ሰናይ ግብሪ ዝጀመረ ኸኣ፡ ንሱ ኽሳዕ እታ መዓልቲ የሱስ ክርስቶስ ከም ዝፍጽሞ፡ እዚ ተረዲኤዮ ኣሎኹ። 7ብመቐውሐይ ኰነ ብናይ ወንጌል ምምጽራይን ምጽናዕን ኵላትኩም ብጸጋ መማቕልተይ ስለ ዝዀንኩም፡ ኣብ ልበይ ስለ ዘሎኹም፡ ምእንቲ ዅላትኩም እዚ ኽሓስብ ቅኑዕ እዩ። 8ብለውሃት ክርስቶስ የሱስ ንዅላትኩም ከመይ ገይረ ኸም ዝናፍቐኩም፡ ኣምላኽ ምስክረይ እዩ። 9-11ንኽብሪ ኣምላኽን ምስጋናኡን እቲ ብየሱስ ክርስቶስ ዝርከብ ፍረ ጽድቂ መሊእኩም፡ ክሳዕ እታ መዓልቲ ክርስቶስ መዓንቀፊ ዘይብሎምን ንጹሃትን ምእንቲ ኽትኰኑ፡ እቲ ዝሓይሽ ክትምርምሩ፡ እቲ ፍቕርኹምውን ብፍልጠት ብምስትውዓል ዘበለ ዅሉን ኣዝዩ እናበዝሐ ክኸይድ፡ እዚ እልምን ኣሎኹ።
12ግናኸ፡ ኣሕዋተየ፡ እቲ ዝበጽሓኒ መከራ ንምስፋሕ ወንጌል ኣዝዩ ኸም ዝጠቐመ፡ ክትፈልጡ እደሊ ኣሎኹ። 13እቲ ማእሰርተይ ብክርስቶስ ምዃኑ ኣብ ብዘሎ ሰፈር ዘብዐኛታትን ኣብ ኵላቶም ካልኦትን ተገልጸ። 14ዝበዝሑ ኻብቶም ኣሕዋት ድማ በቲ ማእሰርተይ ኣብ ጐይታ ጸኒዖም፡ ብዘይ ፍርሃት ቃል ኣምላክ ንምንጋር ኣዝዮም ደፈሩ። 15ገሊኦም ብቕንእን ባእስን፡ ገሊኦም ግና ብጽቡቕ ፍቓድ ንክርስቶስ ይሰብክዎ ኣለዉ። 16እቶም ሓደ ወገን ንጥብቅነት ወንጌል ከም እተመደብኩ ፈሊጦም ብፍቕሪ ይሰብኩ፡ 17እቶም ሓደ ወገን ግና ኣብ ርእሲ ማእሰርተይ ጸበባ ከምጹኡለይ ሓሲቦም፡ ብቕንዕና ዘይኰነስ ፡ ብሻራ ንክርስቶስ ይሰብክዎ ኣለዉ። 18እንታይ ደኣ እዩ ፧ እንተ ብምኽንያት እንተ ብሓቂ፡ ብዝዀነ ዀይኑስ ክርስቶስ ይስበኽ ኣሎ እሞ፡ በዚ እሕጐስ ኣሎኹ ኽሕጐስውን እየ። 19እዚ ድማ ብጸሎትኩምን ብደገፍ መንፈስ የሱስ ክርስቶስን ንምድሓነይ ከም ዝኸውን፡ እፈልጥ ኣሎኹ። 20-21ንኣይ ህይወተይ ክርስቶስ እዩ፡ ሙማተይውን ረብሓይ እዩ እሞ፡ ከምቲ ሃረርታይን ተስፋይን ብገለ ኸይሓፍር፡ ከምቲ ዅሉ ሳዕ ሕጂውን ብትብዓት ደኣ፡ ብህይወት እንተ ዀይኑ ወይስ ብሞት፡ ክርስቶስ ብስጋይ ክኸብር እዩ። 22እቲ ብስጋ ምንባረይ፡ እዚ ፍረ ዕዮይ እንተ ዀይኑ፡ ኣየናይ ከም ዝሓሪ፡ ኣይፈልጥን እየ። 23በዘን ክልተ እዚኣተን እጭነቕ ኣሎኹ፡ ንኣይ ኣዝዩ ዝሓይሽ እዩ እሞ፡ ክፋኖ ምስ ክርስቶስውን ክነብር ሃረርታ ኣሎኒ። 24ግናኸ እቲ ብስጋ ምጽናሕ ምእንታኻትኩም ኣዝዩ ዘድሊ እዩ። 25-26ከም ብሓድሽ ናባኻትኩም ብምምላሰይ እቲ ትምክሕትኩም ብክርስቶስ የሱስ ኣባይ ምእንቲ ክዓዝዝ፡ እዚ ድማ ንናይ እምነትኩም ምዕባይን ሓጐስን ከም ዝጸንሕ ተረዲኤ፡ ምስ ኵላትኩም ከኣ ከም ዝነብር፡ እፈልጥ ኣሎኹ።
27-28ካብቶም ተጻረርቲ ብሓደ ነገር እኳ ኸይሰምበድኩም፡ እዚ ንኣታቶም ንጥፍኣት፡ ንኣኻትኩም ግና ንምድሓን ምልክት እዩ፡ እዚ ኸኣ ካብ ኣምላኽ እዩ፡ መጺአ ክርእየኩም እንተ ዀይነ ወይስ ከየሎኹ፡ ስለ እምነት ወንጌል ብሓንቲ ነፍሲ ምሳይ እናተጋደልኩም፡ ብሓደ መንፈስ ቀጥ ኢልኩም ከም እትቘሙ ምእንቲ ኽሰምዕ፡ ሓንትስ ንብረትኩም ንወንጌል ክርስቶስ ዝበቅዕ ጥራይ ይኹን። 29-30እቲ ኣባይ ዝርኤኹምዎ ሕጂውን ኣባይ እትሰምዕዎ ዘሎኹም ገድሊ፡ ከምኡ ዝበለ እናበጽሓኩም፡ ሳላ ክርስቶስ ምእንታኡ መከራ ድማ ክትጸግቡ እምበር፡ ብእኡ ኽትኣምኑ ጥራይ ኣይኰነን ጸጋ ተዋሂብኩም ዘሎ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ፊልጲ ምዕራፍ 2
1እምብኣርሲ ገለ ምጽንናዕ ብክርስቶስ፡ ወይስ ገለ ደበሳ ናይ ፍቕሪ፡ ወይስ ገለ ሕብረት መንፈስ፡ ወይስ ገለ ምሕረትን ድንጋጽን እንተሎ፡ 2ብሓንቲ ሓሳብ ብምዃንኩም፡ ብሓንቲ ፍቕሪ ብምህላውኩም፡ ብሓንቲ ነፍሲ ዄንኩም ሓደ ብምሕሳብኩም ሓጐሰይ መልኡ። 3ሓንቲ እኳ ንርእሰይ ይጥዓመኒ ብምባል ወይስ ንውዳሴ ኸንቱ ኣይትግበሩ፡ ብትሕትና ግና እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ኻብ ርእሱ ኣብሊጹ ይርኣዮ። 4ነፍሲ ወከፍ ንብጻዩ ድማ እምበር፡ ነፍሲ ወከፍ ንርእሱ ዝሕሾ ኣይጠምት።
5እቲ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ዝነበረ ሓሳብ ኣባኻትኩምውን ይሃሉኹም። 6ንሱ ብመልክዕ ኣምላኽ ክነሱ፡ ነቲ ማዕረ ኣምላኽ ምዃኑ ኸም ምምንዛዕ ኣይረኣዮን። 7መልክዕ ባርያ ወሲዱ ርእሱ ኣሕሰረ፡ ሰብውን መሰለ፡ ብንብረቱ ኸም ሰብ ኰይኑ ተረኸበ። 8ርእሱ ኽሳዕ ሞት ኣትሓተ፡ ክሳዕ ሞት ኣብ መስቀል እኳ ደኣ ተኣዘዘ። 9-11ስለዚ ኸኣ ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ኣብ ትሕቲ ምድርን ዘሎ ዅሉ ብርኪ ብስም የሱስ ምእንቲ ኽምብርከኽ፡ ልሳን ዘበለውን ንኽብሪ እግዚኣብሄር ኣቦ ኢሉ የሱስ ክርስቶስ ጐይታ ምኻኑ ኽእመን እዩ ኣምላኽ ናብ ልዕሊ ዅሉ ልዕል ዘበሎ፡ ካብ ኵሉ ስም ልዕል ዝበለ ስምውን ዝሃቦ። 12-13ደጊም፡ ኣቱም ፍቁራተይ፡ እቲ ምእንቲ ጽቡቕ ፍቓዱ ኢሉ፡ ኣባኻትኩም ድሌትን ግብርን ዝገብርሲ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ከየሎኹ ግዳ እቲ ዝበዝሕ እምበር፡ ከሎኹ ጥራይ ዘይኰነ፡ ከምቲ ዅሉ ሳዕ እተኣዘዝኩም፡ ብፍርሃትን ራዕድን ንምድሓንኩም ፈጽሙ። 14-16ንኸንቱ ኸም ዘይጐየኹ ወይስ ንኸንቱ ኸም ዘይጸዓርኩ፡ ነቲ ቓል ህይወት ሒዝኩም በታ መዓልቲ ክርስቶስ ንትምክሕተይ ምእንቲ ኽትኰኑ፡ ኣብ ማእከል እዚ ቔናንን ጠዋይን ወለዶ እዚ መንቅብ ዘይብሎምን ግሩሃትን ሕፍቲ ዘይብሎም ውሉድ ኣምላኽ ኴንኩም፡ ከም ብርሃናት ኣብ ዓለም እትበርሁ ምእንቲ ኽትኰኑ፡ ንዅሉ ብዘይምጕርምራምን ብዘይውልውልን ግበርዎ። 17ግናኸ ኣብቲ ናይ እምነትኩም መስዋእትን ኣገልግሎትን እንተ ተሰዋእኩ፡ ባህ ይብለኒ፡ ምስ ኵላትኩምውን እሕጐስ ኣሎኹ። 18ንስኻትኩም ድማ ከምኡ ባህ በሉ ምሳይውን ተሓጐሱ። 19-20ብናይ ህልዋትኩም ከምታ ነፍሰይ ሓሲቡ ብንጹህ ልቢ ዝሓሊ ሓደ እኳ የብለይን እሞ፡ ኣነ ብዛዕባኻትኩም ፈሊጠ ምእንቲ ባህ ክብለኒ፡ ቀልጢፈ ንጢሞቴዎስ ክልእከልኩም፡ ብጐይታና የሱስ ተስፋ እገብር ኣሎኹ። 21ኵላቶም ነናይ ርእሶም እዮም ዝደልዩ፡ ነቲ ናይ የሱስ ክርስቶስ ኣይኰነን። 22ግናኸ ውሉድ ነቦኡ ኸም ዘገልግል፡ ንሱውን ምሳይ ንወንጌል ብምግልጋሉ ፍቱን ምዃኑ ትፈልጡ ኢኹም። 23እምብኣርሲ ኣባይ ከመይ ከም ዝኸውን ምስ ርኤኹ፡ ቀልጢፈ ንእኡ ኸሰደልኩም ተስፋ እገብር ኣሎኹ። 24ኣነ ባዕለይውን ቀልጢፈ ኸም ዝመጽእ፡ ብጐይታ እእመን ኣሎኹ።
25-26ንኤጳፍሮዲጦስ፡ ሓወይን መዓይይተይን መተዓቕይተይን ልኡኽኩም፡ ኣነ ብዝደልዮ ኣገልጋልን ግና፡ ንዅላትኩም ስለ ዝናፈቐን ምሕማሙ ብምስማዕኩም ስለ ዝጐሃየን፡ ናባኻትኩም ክሰዶ ብግዲ ዀነኒ። 27ሓሚሙስ ብሓቂ ንሞት ቀሪቡ ነይሩ፡ ግናኸ፡ ኣምላኽ ምሒርዎ ሓዘን ኣብ ልዕሊ ሓዘን ምእንቲ ኸይውሰኸኒ፡ ንኣይ ድማ እዩ እምበር፡ ንእኡ ጥራይ ኣይኰነን። 28ስለዚ፡ ምስ ርኤኹምዎ ኸም ብሓድሽ ምእንቲ ኽትሕጐሱ፡ ኣነውን፡ እቲ ሓዘነይ ምእንቲ ክቐልል፡ ቀልጢፈ ሰደድክዎ። 29-30ደጊም ንሱ እቲ ኻባኻትኩም ዝጐደለኒ ምእንቲ ኽምልእ፡ ነብሱ ቐቢጹ ምእንቲ ዕዮ ክርስቶስ ክሳዕ ሞት ቀሪቡ ነይሩ እዩ እሞ፡ ብዅሉ ሓጐስ ብጐይታ ተቐበልዎ፡ ነዞም ከምዚኣቶም ዘመሰሉ ኣኽብርዎም።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ፊልጲ ምዕራፍ 3
1ብዝተረፈ፡ ኣሕዋተየ፡ ብጐይታ ባህ ይበልኩም። እዚ መሊሰ ንምጽሓፉ ንኣይ ጭንቂ ነገር ኣይኰነን፡ ንኣኻትኩም ግና ንጽንዓትኩም እዩ።
2ካብ ኣኽላባት ተጠንቀቑ፡ ካብ እኩያት ዓየይቲ ተጠንቀቑ፡ ካብ ምቍርራጽ ተጠንቀቑ። 3ንሕና ንኣምላኽ ብመንፈስ እነገልግሎ፡ ብየሱስ ክርስቶስ ተመኪሕናውን ብስጋ ዘይንእመን ግዝረት ንሕና ኢና፡ 4ብስጋ እኳ ዝእመነሉ ዘሎኒ ኽነሰይ፡ ንሓደ ኻልእ ብስጋ ዝእመነሉ ዘለዎ እንተ መሰሎ፡ ኣነ ግዳ ዝበለጸ ኣሎኒ። 5ኣነ ብሳምነይቲ መዓልቲ እተገዘርኩ፡ ካብ ዓሌት እስራኤል፡ ካብ ነገድ ብንያም፡ እብራዊ ኻብ እብራውያን፡ ብሕጊ ፈሪሳዊ፡ 6ብቕንኣት ሰጓጊ ማሕበር፡ ብጽድቂ ሕጊውን መንቅብ ዘይብለይ እየ። 7እዚ ንኣይ ረብሓ ዝነበረ ግና ስለ ክርስቶስ ኢለ ኸም ወጽዓ ቆጸርክዎ። 8-9ኣየን እሞ፡ ብእምነት ክርስቶስ እቲ ብእምነት ካብ ኣምላኽ ዝርከብ ጽድቂ እምበር፡ እቲ ብሕጊ ዝመጽእ ጽድቀይ ሒዘ ኣይኰንኩን፡ ንክርስቶስ ምእንቲ ኽረብሕ ብእኡውን ክርከብ፡ ብሓቂ ስለ እቲ ብሉጽ ፍልጠት ክርስቶስ የሱስ ጐይታይ ኢለ፡ ስሊኡ እዚ ዅሉ እተወጻዕኩ፡ ኵሉ ኸም ወጽዓ እቘጽሮ፡ ከም ጐሓፍ እቘጽሮ ኣሎኹ። 10-11ብዝዀነ ዀይኑ ናብ ትንሳኤ ምዉታት እንተ ኣርከብኩ ኢለ፡ ብሞቱ እናመሰልክዎ፡ ንእኡን ሓይሊ ትንሳኤኡን ሕብረት መከራኡን ምእንቲ ኽፈልጥ፡ ኵሉ ኸም ወጽዓ እቆጽሮ ኣሎኹ። 12ኣነ ነቲ ንእኡ ክኸውን ብክርስቶስ የሱስ እተረኸብኩ ምእንቲ ኽረኽቦ፡ ንቕድሚት እደፍእ ኣሎኹ እምበር፡ ቅድሚ ሕጂ ኸም ዝረኸብክዎ ወይስ ቅድሚ ሕጂ ፍጹም ከም ዝዀንኩ ኣይኰነን። 13ኣሕዋተየ፡ ኣነ ብርእሰይ ከም ዝረኸብክዎ ኣይመስለንን ኣሎ። ሓደ ነገር ደኣ ኣሎኒ፡ ኣብ ድሕረይ ዘሎ እናረሳዕኩ፡ ነቲ ኣብ ቅድመይ ዘሎ እናተመጣጠርኩ፡ 14ናብቲ ሕንጹጽ ዕላማ ኣቢለ፡ ናብቲ ዓስቢ ዓወት ናይ ላዕሊ ጽውዓ ኣምላኽ ብክርስቶስ የሱስ እጐዪ ኣሎኹ።
15እምብኣርሲ ፍጹማት ዘበልና ዅልና እዚ ንሕሰብ ብገለ ነገር ሓሳብኩም ንበይኑ እንተ ዀይኑ ድማ፡ ንእኡውን ኣምላኽ ክገልጸልኩም እዩ። 16እዚ ጥራይ፡ በቲ ዝበጻሕናዮ መጠን ብሓደ መገዲ ንመላለስ።
17ኣሕዋተየ፡ ንኣይ ምሰሉ፡ ከምቲ ንሕና ኣርኣያ ዝዀንናኩም፡ ኣብቶም ከምኡ ኢሎም ዝመላለሱ ኣስተብህሉ። 18ከምቲ ብዛዕባኦም ብዙሕ ሳዕ ዝበልኩኹም፡ ሕጂውን እናበኸኹ እብል ኣሎኹ፡ ብዙሓትሲ ጸላእቲ መስቀል ክርስቶስ ኰይኖም ይመላለሱ እዮም። 19መወዳእታኦም ጥፍኣት እዩ፡ ኣምላኾም ከብዶም እዩ፡ ክብረቶምውን ኣብ ነውሮም እዩ፡ ሓሳቦም ከኣ ናይ ምድሪ እዩ። 20ንሕና ግና ሃገርና ኣብ ሰማያት እያ፡ ካብኣውን መድሓኒ፡ ንሱ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ንጽበ ኣሎና። 21ንሱ በቲ ንዅሉ ኽመልከሉ ዝከኣሎ ሓይሊ ነቲ ኽቡር ስጋኡ ምእንቲ ክመስል፡ ነዚ ናይ ውርደት ስጋና ክልውጦ እዩ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ፊልጲ ምዕራፍ 4
1እምብኣርሲ፡ ኣቱም ኣነ ዘፍቅረኩምን ዝናፍቐኩምን፡ ሓጐሰይን ኣኽሊለይን፡ ፍቁራት ኣሕዋተይ፡ ከምዚ ዄንኩም ብጐይታ ጽንዑ።
2ሓሳበን ብጐይታ ሓንቲ ኽትከውን፡ ንኤዎድያ እምዕድ፡ ንስንጥኬውን እምዕድ ኣሎኹ። 3እወ፡ ኣታ እሙን ሲሲጎስ፡ ንኣኻውን ክትድግፈን እልምነካ ኣሎኹ። ንሳተን ምስ ቅሌምንጦስን ምስቶም ስሞም ኣብ መጽሓፍ ህይወት እተጻሕፈ ኻልኦት መዓይይተይን ምሳይ ብወንጌል ዝጸዓራ እየን።
4ብጐይታ ዅሉ ሳዕ ተሓጐሱ፡ ደጊመ፡ ተሓጐሱ፡ እብል ኣሎኹ። 5እቲ ለውሃትኩም ኣብ ኵሉ ሰብ ይፈለጥ፡ እግዚኣብሄር ቀረባ እዩ። 6ድሌትኩም ዘበለስ ብጸሎትን ልማኖን ምስናይ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ እምበር፡ ብገለ እኳ ኣይትጨነቑ። 7እቲ ኻብ ኵሉ ኣእምሮ ዝበልጽ ሰላም ኣምላኽ ድማ ንልብኹምን ሓሳብኩምን ብክርስቶስ የሱስ ክሕልዎ እዩ።
8ብዝተረፈስ፡ ኣሕዋተየ፡ ሓቂ ዘበለ፡ ርዝነት ዘለዎ ዘበለ፡ ቅኑዕ ዘበለ፡ ንጹህ ዘበለ፡ ተፈታዊ ዘበለ፡ ጽቡቕ ወረ ዘለዎ ዘበለ፡ ገለ ደግነት እንተ ዀይኑ፡ ገለ ንእዶውን እንተ ዀይኑ፡ ብእኡ ሕሰቡ። 9ነቲ ኻባይ እተመሃርኩምዎን እተቐበልኩምዎን ዝሰማዕኩምዎን ኣባይውን ዝርኤኹምዎን እዚ ግበርዎ እሞ ኣምላኽ ሰላም ምሳኻትኩም ክኸውን እዩ።
10ደጊምሲ ኽትሓስቡለይ ሓድሽ ህይወት ሕጂ ስለ ዝረኸብኩም፡ ብጐይታ ብዙሕ እሕጐስ ኣሎኹ፡ ዘይሰለጠኩም ደኣ ዀይኑ እምበር፡ ቀደም ከኣ ሓሲብኩም ኔርኩም። 11ኣነስ በቲ ዘሎኒ ይኣኽለኒ ምባል ተማሂረ እየ እሞ፡ ስኢነ ስለ ዘሎኹ ኣይኰንኩን እዚ ዝብሎ ዘሎኹ። 12ትሕት ምባል እፈልጥ፡ ሕልፍን ትርፍን እፈልጥ እየ። ጽጋብን ጥሜትን ምስ ትርፉ ምህላውን ስእነትን፡ ኣብ ኵሉን ብዅሉን ልሙድ እየ። 13በቲ ሓይሊ ዝህበኒ ብክርስቶስ ንዅሉ ክኽእሎ እየ።
14ኣብቲ ጸበባይ ብምሕባርኩም ግና ጽቡቕ ገበርኩም። 15ኣቱም ሰብ ፊልጲ፡ በቲ ናይ ወንጌል መጀመርታ ኻብ መቄዶንያ ምስ ወጻእኩ፡ ብጀካኻትኩም ጥራይ ካብ ማሕበር ብናይ ምሃብን ምውሳድን ሓደ እኳ ምሳይ ከም ዘይሓበረ፡ ንስኻትኩም ባዕላትኩም ትፈልጡ ኢኹም። 16ኣብ ተሰሎንቄውን ሓደ ግዜን ካልኣይ ግዜን ዘድልየኒ ሰዲድኩምለይ። 17ኣነስ እቲ ፍረ ንኣኻትኩም ክበዝሓልኩም ኢለ እየ እምበር፡ ውህበትኩም ደልየ ኣይኰንኩን። 18ሕጂ ግና ኵሉ ኣሎኒ፡ ምስ ትርፉውን ኣሎኒ። እቲ ካባኻትኩም ብኢድ ኤጳፍሮዲጦስ ዝመጸ ምዑዝ ሽታ፡ ስሙር ንኣምላኽ ዘሐጕስ መስዋእቲ፡ ምስ ተቐበልኩ ድማ፡ መሊኤ ኣሎኹ። 19ኣምላኸይ ከኣ፡ ከምቲ መጠን ሃብቱ ብኽብሪ ብክርስቶስ የሱስ ገይሩ፡ ድሌትኩም ዘበለ ኽመልኣልኩም እዩ። 20ግናኸ ንኣምላኽናን ኣቦናን ንዘለኣለመ ኣለም ክብሪ ይኹኖ። ኣሜን።
21ነቶም ብክርስቶስ የሱስ ቅዱሳን ንነፍሲ ወከፎም ሰላም በልዎም። እቶም ምሳይ ዘለዉ ኣሕዋትውን ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ። 22ኵሎም እቶም ቅዱሳን፡ ምናዳ እቶም ካብ ቤት ቄሳር ዘበሉ፡ ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ።
23ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምስ መንፈስኩም ይኹን። ኣሜን።
መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቈሎሴ
1 2 3 4
ዝምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ቈሎሴ ምዕራፍ 1
1ጳውሎስ፡ ብፍቓድ ኣምላኽ ሃዋርያ የሱስ ክርስቶስ፡ ጢሞቴዎስ ሓውናውን፡ 2 ነቶም ኣብ ቈሎሴ ዘለዉ ቅዱሳንን ብክርስቶስ ኣመንቲ ኣሕዋትን፡ ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ካብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ይውረድኩም።
3-4እታ ብክርስቶስ የሱስ እምነትኩምን ንዅሎም ቅዱሳን ዘላትኩም ፍቕርን ምስ ሰማዕና፡ ኵሉ ሳዕ ምእንታኻትኩም እናጸለና፡ ንኣምላኽ፡ ኣቦ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ነመስግን ኣሎና። 5ስለ እቲ ኣብ ሰማያት ተኣርኒቡልኩም ዘሎ ተስፋ ቐደም ብዛዕባኡ ብናይ ሓቂ ቓል ወንጌል ዝሰማዕኩምዎ እሞ፡ 6ናባኻትኩም ዝመጸ ኣብ ኵላ ዓለምውን እናፈረየን እናዓበየን ዝኸይድ ዘሎ፡ ካብታ ንጸጋ ኣምላኽ ብሓቂ ዝሰማዕኩምላን ዝፈለጥኩምላን መዓልቲ ጀሚሩ ድማ ኣባኻትኩም ዘሎ፡ 7ከምቲ ኻብ ኤጳፍራስ፡ እቲ ፍቁር መዓይይትና ምእንታኻትኩምውን እሙን ኣገልጋሊ ክርስቶስ፡ እተመሃርኩምዎ፡ 8ፍቕርኹም ብመንፈስ ዘፍለጠናውን ንሱ እዩ።
9ስለዚ ንሕና ኸኣ ካብታ ዝሰማዕናላ መዓልቲ ጀሚርና፡ በቲ ፍልጠት ፍቓዱ ብዅሉ መንፈሳዊ ጥበብን ኣእምሮን ክመልኣኩም፡ ምእንታኹም ጸሎትን ልማኖን ኣየብኮርናን። 10ብሰናይ ግብሪ ዘበለ ዅሉ፡ ፍረ እናፈሬኹምን ብፍልጠት ኣምላኽ እናዓበኹምን ብዅሉ ንእግዚኣብሄር ባህ ከተብሉ ንእኡ ብቑዓት ኴንኩም ክትመላለሱ፡ ንጽሊ ኣሎና። 11ብሓጐስ ብጽንዓት ዘበለ ዅሉ፡ ንብዘሎ ትዕግስትን ዓቕልን ብሓይሊ ኽብሩ በርቲዕኩም፡ 12ነቲ ናብ ግደ ርስቲ ቅዱሳን ኣብ ብርሃን ዘብቅዓና ኣቦ እናኣመስገንኩም፡ 13ንሱ ኻብ ስልጣን ጸልማት ዘውጽኣና፡ ናብታ መንግስቲ ፍቁር ወዱውን ኣእተወና። 14ኣብኡ ምድሓንና፡ ማለት ሕድገት ሓጢኣት፡ ዘሎና፡ 15ንሱ መልክዕ እቲ ዘይርኤ ኣምላኽ፡ በዅሪ ዅሉ ፍጥረትውን እዩ። 16ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ዘሎ፡ ዝርኤን ዘይርኤን፡ ዝፋናት ኮኑ ወይስ ጕይትነት፡ ሕልቅነት ወይስ ስልጣናት፡ ኵሉ ብእኡ ተፈጢሩ ኣሎ እሞ፡ ኵሉ ብእኡን ንእኡን እዩ እተፈጥረ። 17ንሱ ኸኣ ቅድሚ ዅሉ እዩ፡ ኵሉውን ብእኡ ቘይሙ ኣሎ። 18ንሱ ነቲ ስጋኡ ድማ ርእሱ እዩ፡ ማለት ንማሕበር፡ ብዅሉ ነገር ቀዳማይ ምእንቲ ክኸውንሲ፡ ንሱ መጀመርያ እዩ፡ ካብ ምዉታትውን ቦዅሪ እዩ። 19ብዘሎ ምልኣት አብኡ ኽሓድር፡ ኣቦ ሰሚርዎ ኣሎ እሞ፡ 20ብእኡ ብደም መስቀሉ ገይሩ ሰላም ምስ ገበረ ኸኣ፡ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎን ኣብ ሰማያት ዘሎን ዘበለ ዅሉ ንርእሱ ተዓሪቕዎ እዩ። 21ንኣኻትኩም፡ ቀደም ፍሉያት ብሓሳብኩም ብኽፉእ ግብሩኹምን ጸላእቲ ዝነበርኩም ከኣ፡ 22-23ካብቲ ዝሰማዕኩምዎ ተስፋ ናይቲ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘሎ ዅሉ ፍጡር እተሰብከ ወንጌል፡ ኣነ ጳውሎስ ዘገልጋሊኡ፡ ከይተናቓነቕኩም፡ ተሰሪትኩምን ደልዲልኩምን ብእምነት እንተ ጸናዕኩምሲ፡ ኣበርን ነቐፋን ዘይብሎም ቅዱሳን ገይሩ፡ ኣብ ቅድሚኡ ምእንቲ ከቝመኩም፡ ሕጂ ብሰብነት ስጋኡ ብሞቱ ገይሩ ዓረቐኩም።
24ሕጂ በቲ ምእንታኹም ዝዀነ ጸበባይ እሕጐስ ኣሎኹ፡ ምእንቲ ስጋኡ፡ ንሳ ድማ እታ ማሕበር እያ፡ ብስጋይ ነቲ ጐደሎ መከራ ክርስቶስ እምልእ ኣሎኹ። 25ኣነ፡ ከምቲ ንኣይ ናባኻትኩም እተዋህበ መጋቢነት ኣምላኽ፡ ቃል ኣምላኽ ኣብ ኵሉ ኽመልእ እየ ኣገልጋሊ ማሕበር ዝዀንኩ። 26ማለት፥ እቲ ኻብ ዘለኣለምን ካብ ውሉድ ወለዶን ተሰዊሩ ዝነበረ ሎሚ ግና ንቕዱሳኑ እተገልጸ ምስጢር፡ 27ሃብቲ ኽብሩ ነዚ ምስጢር እዚ ኣብ ኣህዛብ እንታይ ምዃኑ ኸፍልጥ ንዝደለዮም፡ ንሱውን ክርስቶስ ኣባኻትኩም፡ ተስፋ ኽብሪ እዩ። 28ንሕና ድማ፡ ንዅሉ ሰብ ብክርስቶስ ምሉእ ጌርና ኸነቝሞ፡ ብጥበብ ዘበለ ንዅሉ ሰብ እናመዓድና፡ ንዅሉ ሰብውን እናመሃርና ንነግር ኣሎና። 29ነዚ ድማ ኣነ፡ ብመጠን እቲ ኣባይ ብሓይሊ ዝገብር ዘሎ ግብሩ እናተጋደልኩ፡ እጽዕር ኣሎኹ።
ዝምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ቈሎሴ ምዕራፍ 2
1ምእንታኹምን ምእንቲ እቶም ኣብ ሎዶቅያ ዘለዉን ምእንቲ እቶም ገጸይ ብስጋ ዘይረኣዩን ከኣ፡ ከመይ ዝበለ ዓብዪ ጻዕሪ ኸም ዘሎኒ፡ ክትፈልጡ እደሊ ኣሎኹ። 2ብፍቕርን ብዅሉ ሃብቲ ናይ ምሉእ ኣእምሮን፡ ንፍልጠት እቲ ምስጢር ኣምላኽ፡ ንሱ ኸኣ ክርስቶስ፡ ብሓደ ሰሚሮም ልቦም ምእንቲ ኽጸናናዕ፡ 3ብዘሎ መዝገብ ጥበብን ፍልጠትን ኣብኡ ተሰዊሩ ኣሎ። 4ሓደ እኳ ብቓል ቅብጥር ከየስሕተኩም ኢለ እየ እዚ ዝብል ዘሎኹ። 5ብስጋ እኳ ምሳኻትኩም እንተ ዘየሎኹ፡ ብመንፈስ ምሳኻትኩም እየ፡ ስርዓትኩምን ጽንዓት እምነትኩም ብክርስቶስን እናርኤኹውን እሕጐስ ኣሎኹ።
6ደጊም ከምቲ ንጐይታና ክርስቶስ የሱስ እተቐበልኩምዎ፡ ከምኡ ኢልኩም ብእኡ ተመላለሱ። 7ኣብኡ ተሰሪትኩምን ተሃኒጽኩምን ብምስጋና መሊእኩም፡ ከምቲ እተመሃርኩምዎ ዄንኩም ብእምነት ጽንዑ።
8ከም ናይ ክርስቶስ ዘይኰነስ፡ ብልማድ ሰብ፡ ከም ምህሮ ቝልዕነት እዛ ዓለም እዚኣ፡ ብጥበብ ዓለምን ብኸንቱ ምጥባርን ሓደ እኳ ኸይማርኸኩምሲ፡ ተጠንቀቑ። 9ኣብኡ ብዘሎ ምልኣት መለኮት ብስጋ ሓዲርዎ እዩ እሞ፡ 10ንሱ ርእሲ ዅሉ ሕልቅነትን ስልጣንን እዩ፡ ንስኻትኩምውን ብእኡ ተመሊእኩም ኣሎኹም። 11ንስኻትኩም ድማ ብግዝረት ክርስቶስ ነቲ ናይ ስጋ ሰብነት ቀንጢጥኩም ብኢድ ብዘይኰነት ግዝረት ብእኡ ተገዘርኩም። 12ብጥምቀትውን ምስኡ ተቐበርኩም፡ ብግብሪ እቲ ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ ኣምላኽ ድማ ምስኡ ተንሳእኩም። 13ንብዘሎ ኣበሳና ይቕረ ኢሉ፡ ብኣበሳኹምን ብዘይ ግዝረት ስጋኹምን መዊትኩም ንዝነበርኩም፡ ንኣኻትኩምውን ምስኡ ህያዋን ገበረኩም። 14ነቲ ብሕጋጋት ዝቃወመናን ዝበኣሰናን ዝነበረ ብኢድ እተጻሕፈ ጽሕፈት ዕዳ ደምሲሱ ኸኣ፡ ንእኡ ኣብ መስቀል ሸንኪሩ ኻብ ማእከል ኣርሓቖ። 15ነቶም ሕልቅነታትን ስልጣናትን ኣጽዋሮም ገፊፉ፡ ብእኡ እናፈከረሎም ከኣ፡ ብግልጺ ኣስተሓፈሮም።
16ደጊም ብብልዕን መስተን፡ ወይ ብምብዓል በዓላት፡ ወይ ብሰርቂ ወርሒ፡ ወይ ብሰናብቲ ዝመጸ፡ ሓደ እኳ ኣይፍረድኩም። 17እዚ ነቲ ዝመጽእ ጽላሎት እዩ፡ እቲ ስጋ ግና ክርስቶስ እዩ። 18ሓደ እኳ፡ ትሕትና ብዝመስልን ብስግደት ንመላእኽትን ገይሩ፡ ንሱ ኣብ ዘይረኣዮ ነገር እናተሓወሰ በእምሮ ስጋኡ ብኸምኡ ዝንፋሕ፡ ነቲ ዓስቢ ዓወት ኣይዘርፍኩም። 19ኣብቲ ብዘሎ እቲ ስጋ ብጅማትን መፈላልዮን ተዳጋጊፉን ብሓደ ተጋጢሙን ብምዕባይ ኣምላኽ ዝዓብየሉ ኣብቲ ርእሲ ኸይጸንዐ፡ ሓደ እኳ ነቲ ዓስቢ ዓወት ኣይዘርፍኩም።
20-22እምብኣርከ ኻብ ምህሮ ቝልዕነት እዛ ዓለም እዚኣ ምስ ክርስቶስ ካብ ሞትኩም፡ ስለምንታይ ደኣ ኣብዛ ዓለም ከም ዘሎኹምሲ፡ ከም ናይ ሰብ ትእዛዛትን ምህሮን ገይሮም፥ ኣይትሓዝ፡ ኣይትጥዓም፡ ኣይትተንኪ፡ ኢሎም ሕጋጋት ዝሕግጉልኩም፡— እዚ ዅሉ ተተገይሩስ ንሕልፈቱ እዩ፡— 23እዚ ብትሑት ሓሳብን ብምሕሳም ስጋን ዝግበር ናይ ፍቓድ ርእስኻ ኣምልኾ፡ ሕብሪ ጥበብሲ ኣለዎ፡ ግናኸ ንምጽጋብ ስጋ እዩ እምበር፡ ንገለ እኳ ኣይጠቅምን እዩ።
ዝምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ቈሎሴ ምዕራፍ 3
1ደጊም ምስ ክርስቶስ ተንሲእኩም እንተ ዄንኩምሲ፡ ነቲ ክርስቶስ ኣብ የማን ኣምላኽ ተቐሚጥዎ ዘሎ፡ ነቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ድለዩ። 2-3መዊትኩም ኢኹም፡ እታ ህይወትኩም ድማ ምስ ክርስቶስ ኣብ ኣምላኽ ተሰዊራ ኣላ እሞ፡ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሕሰቡ፡ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኣይኰነን። 4ክርስቶስ ህይወትና ምስ ዝግለጽ፡ ሽዑ ንስኻትኩምውን ምስኡ ብኽብሪ ኽትግለጹ ኢኹም።
5ስለዚ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኣካላትኩም ቅተሉ፡ ምንዝርና፡ ርኽሰት፡ ፍትወት ስጋ፡ ክፉእ ትምኒት፡ ስስዔ፡ እዚ ድማ ኣምልኾ ጣኦት እዩ፡ 6ብሰሪ እዚ ነገርዚ እቲ ቝጥዓ ኣምላኽ ኣብቶም ደቂ ዘይምእዛዝ ይወርድ እዩ። 7ንስኻትኩምውን፡ ኣብኡ ኽትነብሩ ኸሎኹም፡ ቀደም ብእኡ ትመላለሱ ኔርኩም። 8ሕጂ ግና ንስኻትኩም እዚ ዅሉ ድማ፥ ኵራ፡ ምንጽርጻር፡ ክፍኣት፡ ጸርፊ፡ ዘሕፍር ዘረባውን ካብ ኣፍኩም ኣርሕቑ። 9-10ንስኻትኩም፡ ነቲ ኣረጊት ሰብ ምስ ግብሩ ቐንጢጥኩም፡ ከምቲ ምስሊ እቲ ዝፈጠሮ ጌርኩም፡ ነቲ ንፍልጠት ዝሕደስ ሓድሽ ሰብ ዝለበስኩም፡ ንሓድሕድኩም ኣይትተሓሳሰዉ። 11ክርስቶስ ኵሉን ኣብ ኵሉን እዩ እምበር፡ ኣብኡስ ጽርኣውን ኣይሁዳውን፡ ግዝረትን ዘይግዝረትን፡ ባርባን ስኪትን፡ ባርያን ጭዋን የልቦን።
12እምብኣርሲ ኸም ሕሩያት ኣምላኽን ቅዱሳንን ፍቁራትን ኴንኩም፡ ምሕረት ልቢ፡ ለውሃት፡ ትሕትና፡ ዓቕሊ፡ ትዕግስቲ ልበሱ። 13ንሓድሕድኩም እናተጻወርኩም፡ እቲ ሓደ ኣብቲ ሓደ ኽሲ እንተለዎ፡ ይቕረ ተባሃሃሉ። ከምቲ ክርስቶስ ይቕረ ዝበለልኩም፡ ንስኻትኩምውን ከምኡ ይቕረ በሉ። 14ኣብ ልዕሊ እዚ ዅሉውን ፍቕሪ፡ ማእሰር ፍጻሜ እያ እሞ፡ ልበስዋ። 15ሰላም ክርስቶስ ከኣ ኣብ ልብኹም ይግዛእ፡ ነዚ ብሓደ ስጋ ተጸዊዕኩም ኢኹም እሞ መማስውቲ ኹኑ።
16ብመዝሙርን ውዳሴን መንፈሳዊ ቕኔን ንሓድሕድኩም ኣስተምህሩን ምዓዱን፡ ብልብኹምውን ብጸጋ ንኣምላኽ እናዘመርኩም፡ ቃል ክርስቶስ ብዅሉ ጥበብ መሊኡ ይሕደርኩም። 17ብቓል ኰነ ወይስ ብግብሪ እትገብርዎ ዘበለ ዅሉ ብስም ጐይታና የሱስ ግበርዎ፡ ብእኡ ኸኣ ንእግዚኣብሄር ኣቦ ኣመስግንዎ።
18ኣትን ኣንስቲ፡ ከምቲ ንጐይታ ዝግባእ ጌርክን ንሰብኡትክን ተኣዘዝኦም። 19ኣቱም ሰብኡት፡ ነንስትኹም ኣፍቅርወን እሞ ኣይትምረርወን። 20ኣቱም ውሉድ፡ እዚ ኣብ ጐይታ ባህ ዘብል እዩ እሞ፡ ንወለድኹም ብዅሉ ተኣዘዝዎም። 21ኣቱም ኣቦታት፡ ሕልነኦም ከይዓርብ፡ ነቶም ውሉድኩም ኣይተዀርይዎም። 22ኣቱም ግዙኣት፡ ነቶም ብስጋ ጐይተትኩም ዝዀኑ፡ ብገጽርኤ ንሰብ ባህ ከም እተብሉ ጌርኩም ዘይኰነስ፡ ብግሩህ ልቢ ንእግዚኣብሄር እናፈራህኩም ተኣዘዝዎም። 23-24ነቲ ዓስቢ ርስቲ ኻብ ጐይታ ኸም እትቕበልዎ እናፈለጥኩም፡ እትገብርዎ ዘበለ ንሰብ ዘይኰነስ ንጐይታ ኸም እትገብርዎ ጌርኩም፡ ካብ ልቢ ግበርዎ፥ ንጐይታና ክርስቶስ ኢኹም እትግዝእዎ ዘሎኹም። 25እቲ ዝዓመጸስ ኣብ ክንዲ እቲ ዝዓመጾ ኽፍደ እዩ፡ ኣድልዎ ገጽውን የብሉን።
ዝምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ቈሎሴ ምዕራፍ 4
1ኣቱም ጐይተት፡ ንኣኻትኩምውን ኣብ ሰማይ ጐይታ ኸም ዘሎኩም ፈሊጥኩምሲ፡ ንግዙኣትኩም ቅኑዕን ግቡእን ግበሩሎም።
2ጸሎት ኣዘውትሩ፡ ብእኡውን ብምስጋና ንቕሑ። 3-4እቲ ብዛዕብኡ ተኣሲረ ዘሎኹ ምስጢር ክርስቶስ ክንነግርሲ፡ ምዝራቡ ኸም ዝግብኣኒ ምእንቲ ኽገልጾ፡ ኣምላኽ ነቲ ቓሉ ደገ ክኸፍተልና ምእንታና ድማ ጸልዩ። 5ግዜ እናዓደግኩም፡ ምስቶም ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ብጥበብ ተመላለሱ። 6ንነፍሲ ወከፍ ከም ዝግባእ ከመይ ጌርኩም ክትመልሱ ምእንቲ ኽትፈልጡ፡ ዘረባኹም ብጨው እተቓመመ ዅሉ ሳዕ ብጸጋ ይኹን።
7ጥኪቆስ፡ እቲ ፍቁር ሓውን እሙን ኣገልጋልን ብጐይታ መዓይይተይን፡ ከመይ ኢለ ኸም ዘሎኹ፡ ኸፍልጠኩም እዩ። 8ብዛዕባ ሃላዋትና ምእንቲ ኽትፈልጡን ልብኹምውን ከህድእን እየ ንእኡ ናባኻትኩም ዝሰደድክዎ። 9ምስኡውን ነቲ ኻባኻትኩም ዝዀነ እሙንን ፍቁርን ሓውና ኦኔሲሞስ ሰዲደዮ ኣሎኹ። ንሳቶም ብናይ ነጀው ዘበለ ዅሉ ኽነግሩኹም እዮም።
10እቲ ምሳይ እተማረኸ ኣርስጠርኮስ ሰላም ይብለኩም ኣሎ፡ እቲ ብዛዕባኡ ትእዛዝ እተቐበልኩም ማርቆስ፡ ወዲ ሓዉ ኣቦኡ ንባርናባስ፡ ናባኻትኩም እንተ መጸ ኸኣ፡ ተቐበልዎ። 11ዮስጦስ ዝብሃል የሱስውን፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ምሳይ ዘገልግሉ ንምጽንናዕውን ዝዀኑኒ ዘለዉ ሰብ ግዝረት፡ እዚኣቶም ጥራይ እዮም። 12እቲ ሓደ ኻባኻትኩም ባርያ ክርስቶስ የሱስ፡ ምሉኣትን ብዅሉ ፍቓድ ኣምላኽ ርዱኣትን ኴንኩም ደው ክትብሉ፡ ኵሉ ሳዕ ብጸሎት ዝጋደለልኩም ዘሎ ኤጳፍራስ ሰላም ይብለኩም ኣሎ። 13ንሱ ምእንታኹምን ምእንቲ እቶም ኣብ ሎዲቅያን ኣብ ሂራጶሊስን ዘለዉን ብዙሕ ጻዕሪ ኸም ዘለዎ፡ እምስክረሉ ኣሎኹ። 14ሉቃስ፡ እቲ ፍቁር ሓኪምን ዴማስን ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ።
15ነቶም ኣብ ሎዶቅያ ዘለዉ ኣሕዋትን ንኒምፋስን ነታ ኣብ ቤቱ ዘላ ማሕበርን ሰላም በልዎም። 16እዛ ደብዳበ እዚኣ ኣባኻትኩም ምስ ተነበት፡ ኣብ ማሕበር ሎዶቅያ ኸኣ ከም እትንበብ፡ ነታ ኻብ ሎዲቅያ እትመጽእ ንስኻትኩምውን ከም እተንብብዋ ግበሩ።
17ንኣርኪጶስ ድማ፡ ነታ ብጐይታ እተቐበልካያ ኣገልግሎት ንምፍጻማ ተጠንቀቕ፡ በልዎ።
18እዚ ሰላምታ እዚ ብኢደይ፡ ብኢድ ጳውሎስ፡ እዩ። መቐውሐይ ዘክሩ። ጸጋ ምሳካትኩም ይኹን። ኣሜን።
1ይቲ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ተሰሎንቄ
1 2 3 4 5
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
1ይ ተሰሎንቄ ምዕራፍ 1
1ጳውሎስን ስልዋኖስን ጢሞቴዎስን ናብ ማሕበር ሰብ ተሰሎንቄ፡ ብእግዚኣብሄር ኣቦናን ብጐይታና የሱስ ክርስቶስን፡ ጸጋን ሰላምን ይውረድኩም።
2-3ኣብ ቅድሚ ኣምላኽናን ኣቦናን ነቲ ግብሪ እምነትኩምን ጻዕሪ ፍቕርኹምን ትዕግስቲ ተስፋኹምን ኣብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ከየብኰርና ኣብ ጸሎትና ዅሉ ሳዕ እናዘከርናኩም፡ ብዛዕባ ዅላትኩም ንኣምላኽ ነመስግኖ ኣሎና።4ኣቱም ብኣምላኽ ፍቁራት ኣሕዋትና፡ ምሕራይኩም ስለ ዝፈለጥና፡5ኣባኻትኩምን ምእንታኻትኩምን ከመይ ከም ዝነበርና፡ ከምቲ እትፈልጥዎ፡ እቲ ወንጌልና ብሓይልን ብመንፈስ ቅዱስን ብብዙሕ ምርዳእን ከኣ እዩ እምበር፡ ብቓል ጥራይ ኣይመጸኩምን።6ንስኻትኩምውን ብብዙሕ ጭንቂ ብናይ መንፈስ ቅዱስ ሓጐስ ነቲ ቓል ብምቅባልኩም ሰዓብትናን ሰዓብቲ ጐይታናን ኰንኩም።7ስለዚ ነቶም ኣብ መቄዶንያን ኣካይያን ዘለዉ ዅላቶም ኣመንቲ ኣርኣያ ዀንኩምዎም።8እምነትኩም ብኣምላኽ ናብ ብዘሎ ስፍራ ወጺኣ ኣላ እምበር፡ እቲ ቓል ጐይታስ ካባኻትኩም ኣብ መቄዶንያን ኣካይያን ጥራይ ኣይኰነን እተሰምዐ እሞ፡ ክንዛረበሉ ኣየድልየናን እዩ።9-10ነቲ ህያውን ናይ ሓቂ ኣምላኽን ከተገልግሉ፡ ነቲ ኻብ ምዉታት ዘተንሰኦ እሞ ካብቲ ዝመጽእ ቍጥዓ ዘድሕነና ወዱ የሱስ ከኣ ካብ ሰማያት ክትጽበዩ፡ ካብ ጣኦታት ናብ ኣምላኽ ከመይ ጌርኩም ከም እተመለስኩምን፡ እቲ ናባኻትኩም ምእታውና ኸመይ ዝበለ ኸም ዝነበረን፡ ብዛዕባና ባዕላቶም ይነግሩ እዮም።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
1ይ ተሰሎንቄ ምዕራፍ 2
1ግናኸ፡ ኣሕዋተየ፡ እቲ ናባኻትኩም ምእታውና ከንቱ ኸም ዘይኰነ፡ ባዕላትኩም ትፈልጡ ኣሎኹም።2ከምቲ እትፈልጥዎ ግና፡ ቅድም ኣብ ፊልጲ መከራ ምስ ጸገብናን ምስ ተዋረድናን፡ ብሓይለ ገደል ንኣኻትኩም ወንጌል ኣምላኽ ንምንጋር ብኣምላኽ ተባዕና።3-4እቲ ምዕዶና ኸኣ ነቲ ልብና ዝምርምር ኣምላኽ እምበር፡ ንሰብ ባህ ከም እነብል ኣይኰንናን፡ ከምቲ ንወንጌል እሙናት ክንከውን ብኣምላኽ እተመርመርና፡ ከምኡ ንዛረብ ኣሎና እምበር፡ ካብ ስሕተት፡ ወይስ ካብ ርኽሰት፡ ወይስ ብተንኰል ኣይኰንናን እሞ፡5ከምቲ እትፈልጥዎ፡ ብቓል ቅብጥር ወይስ እናማሳመስና ብስስዕቲ ከቶ ኣይመጻእናኩምን፡ ኣምላኽ ምስክርና እዩ።6ሃዋርያት ክርስቶስ ብምዃንና ከነኽብድ ዝክኣለና እኳ ኽነሱ፡ ካባኻትኩም ኰነ ወይስ ካብ ካልኦት፡ ካብ ሰብሲ ኽብሪ ኣይደለናን።7ኣብ ማእከልኩምሲ፡ ከምታ ዉሉዳ እትሓቍፍ መጥበዊት ኴንና እኳ ደኣ፡ ርሕሩሓት ነበርና።8ከምዚ፡ ኣዚኹም ፍቁራትና ስለ ዝዀንኩም፡ ገዛእ ነፍስና ድማ እምበር፡ ወንጌል ኣምላኽ ጥራይ ኣይኰንናን፡ ከነካፍለኩም እንፈቱን እንምነን ዝነበርና።9ኣሕዋተየ፡ ነቲ ዕዮናን ጻዕርናን ትዝክርዎ ኢኹም እሞ፡ ኣብ ሓደ ኻባኻትኩም ከይነኽብድ ኢልና፡ ለይትን መዓልትን እናዓየና ወንጌል ኣምላኽ ሰበኽናልኩም።10ኣባኻትኩም እትኣምኑ ዘሎኹም፡ ብቕድስናን ጽድቅን ብዘይ መንቅብን ምንባርና፡ ንስኻትኩምን ኣምላኽን ምስክር ኢኹም።11-12ከምቲ እትፈልጥዎ፡ ነቲ ንመንግስቱን ክብሩን ዝጽውዓኩም ኣምላኽ ብቑዓት ኴንኩም ክትመላለሱን፡ ንነፍሲ ወከፍኩም ከም ኣቦ ንዉሉዱ ኸመይ ጌርና ንምዕደኩምን ነፋጥነኩምን ንምስክረልኩምን ነበርና።
13ምእንትዚውን ነቲ ብኣና እተሰብከ ቓል ኣምላኽ ምስ ተቐበልኩምዎ እሞ ንሱ ኣባኻትኩም እትአምኑ ዘሎኹም፡ ዝዓዪ ዘሎ፡ ከምቲ ብሓቂ ዀይንዎ ዘሎ ቓል ኣምላኽ እምበር፡ ከም ቃል ሰብ ስለ ዘይተቐበልኩምዎ፡ ንሕና ኸየብኰርና ንኣምላኽ ነመስግኖ ኣሎና።14ኣሕዋተየ፡ ንስኻትኩምሲ ነተን ብክርስቶስ የሱስ ኣብ ይሁዳ ዘለዋ ማሕበራት ኣምላኽ ሰዓብተን ኴንኩም ኢኹም እሞ፡ ከምቲ ንሳቶም ብኣይሁድ ሓሳረ መከራ ዝጸገቡ፡ ንስኻትኩምውን ከምኡ ብደቂ ዓድኹም መከራ ጸገብኩም።15-16ንጐይታና የሱስን ንነብያትን ዝቐተልዎም ንኣናውን ዝሰጉና ዘለዉ ንሳቶም እዮም፡ ኣህዛብ ምእንቲ ኽድሕኑ ኸይንነግሮም፡ ንኣና ብምኽልካሎም ንሳቶም ንኣምላኽ ባህ ኣየበልዎን ንዅሉ ሰብውን ይጻረርዎ አለዉ። ከምዚ ዅሉ ሳዕ ሓጢኣቶም ይምልኡ ኣለዉ፡ ግናኸ መዓት ክሳዕ መወዳእታ ወሪድዎም ኣሎ።
17ኣሕዋተየ፡ ንሕና ግና ብልቢ ዘይኰነስ ብገጽ ንቕሩብ ግዜ ካባኻትኩም እተፈለና፡ ገጽኩም ክንርኢ ብብዙሕ ናፍቖት ኣዚና ተሃዊኽና ኣሎና።18ስለዚ ናባኻትኩም ክንመጽእ ደለና፡ ኣነ ጳውሎስ እኳ ሓደ ሳዕን ካልኣይ ሳዕን ደልየ ነይረ፡ ግናኸ ሰይጣን ዓገተና።19-20ክብርናን ሓጐስናን ንስካትኩም ኢኹም እሞ፡ ኣብ ቅድሚ ጐይታና የሱስ ብምጻኣቱኸ ተስፋና ወይ ሓጐስና፡ ወይስ ኣኽሊል ትምክሕትና መን እዩ፧ ንስኻትኩም ዶይኰንኩምን፧
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
1ይ ተሰሎንቄ ምዕራፍ 3
1ስለዚ ካብኡ ንነጀው ክንዕገስ ስለ ዘይተኻእለና፡ ኣብ ኣቴና በይንና ኽንተርፍ ጽቡቕ ኰይኑ ተራእየና።2-3በዚ ጸበባ እዚ ሓደ እኳ ሰንከልከል ከይብል፡ ነዚ ኸም እተመደብና፡ ንስኻትኩም ባዕላትኩም ትፈልጥዎ ኢኹም እሞ፡ ንጢሞቴዎስ ሓውናን ብወንጌል ክርስቶስ ናይ ኣምላኽ ኣገልጋልን፡ ንሱ ኸጽንዓኩም ብዛዕባ እምነትኩምውን ከህድኣኩም ለኣኽናዮ።4እምበኣርከ ምሳኻትኩም ከሎና፡ ጸበባ ኸም ዝመጻናስ፡ ቅድም ነጊርናኩም፡ ከምቲ እትፈልጥዎውን፡ ከምኡ ዀነ።5ስለዚ ኣነ ድማ ካብኡ ንነጀው ክዕገስ ምኽኣል ምስ ሰኣንኩ፡ ምናልባሽ እቲ ፈታኒ ፈቲኑኩም ከይህሉ እሞ እቲ ጻዕርና ኸንቱ ኸይኸውን ኢለ፡ እምነትኩም ምእንቲ ኽፈልጥ እየ ዝለኣኽክዎ።6ሕጂ ግና ጢሞቴዎስ ካባኻትኩም ናባና መጺኡ፡ ከምቲ ንሕና እንናፍቐኩም ዘሎና፡ ክትርእዩና እናናፈቕኩም ኵሉ ሳዕ ብጽቡቕ ከም እትዝክሩና፡ ብናይ እምነትኩምን ፍቕርኩምን ምስ ኣበሰረና፡7ስለዚ፡ ኣሕዋተየ፡ ሳላ እምነትኩም ኣብ ኵሉ ጸበባናን መከራናን ብዛዕባኹም ተጸናናዕና።8ብጐይታ እንተ ጸናዕኩምሲ፡ ንሕና ደጊም ብህይወት ንነብር ኣሎና።9-10ገጽኩም ክንርእን ካብ እምነትኩም ዝጐደለ ኽንምልእን፡ ለይትን መዓልትን መጠን ዘይብሉ እናጸለና፡ በቲ ብኣኻትኩም ምኽንያት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽና እንሕጐሰሉ ዅሉ ሓጐስ ብኸመይ ዝበለ ምስጋና ዀን ኢና ብዛዕባኻትኩም ንኣምላኽና እነመስግኖ።
11ግናኸ እግዚኣብሄር ኣቦና ባዕሉን ጐይታና የሱስን መገድና ናባኻትኩም የቕንዕ።12-13በቲ ምጽኣት ጐይታና የሱስ ምስ ኵሎም ቅዱሳኑ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽናን ኣቦናን ብዘይ ኣበር ብቕድስና ኸም እትርከቡ፡ ልብኹም ምእንቲ ኸጽንዕ፡ ከምቲ ንሕና ንኣኻትኩም እነፍቅረኩም ዘሎና፡ እግዚኣብሄር ንሓድሕድኩምን ንዅሉ ሰብን ፍቕሪ ይወስኽኩምን የብዝሓልኩምን።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
1ይ ተሰሎንቄ ምዕራፍ 4
1-2ብዝተረፈስ፡ ኣሕዋተየ፡ ብጐይታና የሱስ ኣየኖት ትእዛዛት ከም ዝሃብናኩም፡ ትፈልጡ ኢኹም እሞ፡ ከምቲ ኻባና እተቐበልኩምዎስ ከመይ ጌርኩም ክትመላለሱ ንኣምላኽውን ከተሐጕሱ ኸም ዝግብኣኩም፡ ከምቲ እትመላለስዎውን ዘሎኹም ኣዚኹም ብእኡ ኽትስስኑ፡ ብጐይታና የሱስ ንልምነኩምን ንምዕደኩምን ኣሎና።3ፍቓድ ኣምላኽ እዚ እዩ፡ ቅድስናኹም። ካብ ምንዝርና ኽትርሕቁ እሞ፡4-5ከምቶም ንኣምላኽ ዘይፈልጡ ኣህዛብ ብፍትወት ትምኒት ዘይኰነስ፡ ነፍሲ ወከፍኩም ንሰበይቲ ኺዳኑ ብቕድስናን ክብርን ምሕላይ ክፈልጥ፡ እዚ ፍቓድ ኣምላኽ እዩ።6-7ኣምላኽሲ ንቕድስና እምበር፡ ንርኽሰት ኣይጸውዓናን እሞ፡ እግዚኣብሄር ብዅሉ እዚ ነገርዚ ሕነ ዝፈዲ ስለ ዝዀነ፡ ንሕናውን፡ ቀደም ከም ዝበልናኩምን ዝመስከርናልኩምን፡ ሓደ እኳ ንሓዉ በዚ ነገርዚ ኣየናሽዎን ኣይበለጸሉን።8ስለዚ እቲ ዚንዕቕ፡ ነቲ ንኣኻትኩም ድማ ቅዱስ መንፈሱ ዝህብ ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ንሰብ ኣይኰነን ዝንዕቕ ዘሎ።
9ብናይ ፍቕሪ ሕውነት ግና፡ ንስኻትኩም ባዕላትኩም ንሓድሕድኩም ንምፍቓር ካብ ኣምላኽ ተምሂርኩም ኢኹም እሞ፡ ክንጽሕፈልኩም ኣየድልየኩምን እዩ።10እዚ ድማ ነቶም ኣብ ብዘሎ መቄዶንያ ዘለዉ ዅላቶም ኣሕዋት ትገብርዎ ኣሎኹም። ግናኸ፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ ኣዚኹም እናወስኽኩም ክትከዱ፡ ንምዕደኩም ኣሎና።11—12ከምቲ ዝኣዘዝናኩም፡ ካብ ሓደ እኳ ገለ ከይደለኹም፡ ምስቶም ብወጻኢ ዘለዉ ብቕንዕና ምእንቲ ኽትመላለሱ፡ ክትሃድኡን ዕዮ ርእስኹም ክትገብሩን፡ በእዳውኩምውን ክትዓዩንሲ ክብረት ክትቈጽርዎ፡ ንምዕደኩም ኣሎና።
13ግናኸ፡ ኣሕዋተየ፡ ከምቶም ተስፋ ዘይብሎም ካልኦት ምእንቲ ኸይትሓዝኑ፡ ብዛዕባ እቶም ደቂሶም ዘለዉ ብዘይ ፍልጠት ክትኰኑ ኣይፈቱን እየ።14ማለት፡ የሱስ ከም ዝሞተን ከም ዝተንስአን ኣሚንና እንተ ዄንና፡ ከምኡውን ኣምላኽ ነቶም ብየሱስ ዝደቀሱ ምስኡ ኸምጽኦም እዩ።15ንሕና ኽሳዕ ምጽኣት ጐይታ ብህይወትና እንጸንሕ ከኣ ነቶም ዝደቀሱ ከቶ ኸም ዘይንቕድሞም፡ እዚ ብቓል ጐይታ ንብለኩም ኣሎና።16ጐይታ ባዕሉ ብናይ ትእዛዝ ጭድርታን ብድምጺ ሊቀ መላእኽትን ብመለኸት ኣምላኽን ካብ ሰማይ ክወርድ እዩ፡ እቶም ብክርስቶስ ዝሞቱውን ቅድም ክትንስኡ እዮም።17ድሕርዚ ንሕና ብህይወት ጸኒሕና ዘሎና ንምቕባል ጐይታ ኣብ ኣየር ምሳታቶም ሓቢርና ብደበና ኽንለዓል ኢና፡ ከምኡውን ንሓዋሩ ምስ ጐይታ ኽንነብር ኢና።18ደጊም በዘን ቃላት እዚኣተን ንሓድሕድኩም ተጻናንዑ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
1ይ ተሰሎንቄ ምዕራፍ 5
1-2ግናኸ፡ ኣሕዋተየ፡ እታ መዓልቲ ጐይታ ኸም ሰራቒ ኰይና ብለይቲ ኸም እትመጽእ፡ ባዕላትኩም ኣርጊጽኩም ትፈልጡ ኢኹም እሞ፡ ብናይ ዘመናትን ግዜታትን ክንጽሕፈልኩምሲ ኣየድልየኩምን እዩ።3ሰላምን ደሓንን እዩ ኽብሉ ኸለዉ፡ ንጥንስቲ ቕልውላው ከም ዝሕዛ፡ ሽዑ ጥፍኣት ብድንገት ይመጾም፡ ከቶውን ኣይከምልጡን እዮም።4-5ንስኻትኩም ግና፡ ኣሕዋተየ፡ ኵላትኩም ደቂ ብርሃንን ደቂ መዓልትን ኢኹም እሞ፡ እታ መዓልቲ እቲኣ ኸም ሰራቒ ኸይትመጻኩምሲ፡ ኣብ ጸልማት ኣይኰንኩምን ዘሎኹም፡ ንሕና ናይ ለይትን ናይ ጸልማትን ኣይኰንናን።6ደጊም ንንቃሕን ንጠንቀቕን እምበር፡ ከምቶም ካልኦት ኣይንደቅስ።7እቶም ዝድቅሱስ ብለይቲ እዮም ዝድቅሱ፡ እቶም ዝሰኽሩውን ብለይቲ እዮም ዝሰኽሩ።8ንሕና ግና ደቂ መዓልቲ ኻብ ኰንናስ፡ ድርዒ እምነትን ፍቕርን፡ ነታ ተስፋ ምድሓንውን ከም ቍራዕ ርእሲ ጌርና፡ ተኸዲንና ንጠንቀቕ።9ኣምላኽ፡ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምድሓን ክንረክብ እምበር፡ ንቝጥዓስ ኣይመደበናን።10ክርስቶስ፡ እንተ ነቒሕና ወይስ እንተ ደቂስና፡ ምስኡ ሓቢርና ብህይወት ምእንቲ ክንነብር ኢሉ፡ ስሌና ሞተ።11ስለዚ፡ ከምቲ እትገብርዎውን ዘሎኹም፡ ንሓድሕድኩም ተማዓዓዱ እሞ እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ይህነጾ።
12ግናኸ፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ ነቶም ኣባኻትኩም ዝጽዕሩን ብጐይታውን ዝመርሑኹምን ዝምዕዱኹምን ክትፈልጥዎም፡ ንልምነኩም ኣሎና።13ስለቲ ዕዮኦም ብብዙሕ ብሉጽ ፍቕሪ ኣኽብርዎም። ንሓድሕድኩምውን ብሰላም ንበሩ።14ኣቱም ኣሕዋትና፡ ነቶም ብዘይ ስርዓት ዝመላለሱ ግንሕዎም፡ ነቶም ሕሊናኦም ዝዓረቦም ኣፋጥንዎም፡ ነቶም ድኹማት ደግፍዎም፡ ንዅላቶም ተዓገስዎም ኢልና ንምዕደኩም ኣሎና።15እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ኽፉእ ከይፈድዮ፡ ተጠንቀቑ። ግናኸ ኵሉ ሳዕ ንሓድሕድኩም ንዅሉን ሰናይ ንምግባር ተጋደሉ።16ኵሉ ሳዕ ተሓጐሱ።17ከየባተኽኩም ጸልዩ።18እዚ ምእንታኹም ብክርስቶስ የሱስ ፍቓድ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ብዅሉ ኣመስግኑ።19መንፈስ ኣይተጥፍኡ።20ትንቢት ኣይትንዓቑ።21ንዅሉ ተዓዘብዎ፡ ነቲ ሰናይ ሓዝዎ።22ካብ ክፉእ ዘበለ ዅሉ ርሓቑ።
23ኣምላኽ ሰላም ባዕሉ ኸኣ ንዅለንትናኹም ይቐድሶ፡ በቲ ምጽኣት የሱስ ክርስቶስ ብዘሎ መንፈስኩምን ነፍስኹምን ስጋኹምን ብዘይ መንቅብ ክርከብ ይተሓሎ።24እቲ ዝጽውዓኩም ዘሎ እሙን እዩ፡ ንሱውን ክገብሮ እዩ።
25ኣቱም ኣሕዋትና፡ ምእንታና ጸልዩ።26ንዅላቶም ኣሕዋትውን ብቕዱስ ምስዕዓም ሰላም በልዎም።27ነዛ ደብዳበ እዚኣ ኣብ ኵሎም ኣሕዋት ከተንብብዋ፡ ብእግዚኣብሄር አማሕጽነኩም ኣሎኹ።
28ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምሳኻትኩም ይኹን። ኣሜን።
2ይቲ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ተሰሎንቄ
1 2 3
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
1ይ ተሰሎንቄ ምዕራፍ 1
1ጳውሎስን ስልዋኖስን ጢሞቴዎስን ናብ ማሕበር ሰብ ተሰሎንቄ፡ ብእግዚኣብሄር ኣቦናን ብጐይታና የሱስ ክርስቶስን።2ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ካብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ይኹነልኩም።
3ኣቱም ኣሕዋትና፡ እምነትኩም ኣዝያ ስለ ዝዓበየት፡ እታ ፍቕሪ ነፍሲ ወከፍ ናይ ኵላትኩምውን ኣብ ንሓድሕድኩም ስለ ዝዓዘዘት፡ ቅኑዕ እዩ እሞ፡ ብዛዕባኹም ኵሉ ሳዕ ንኣምላኽ ከነምስግኖ ግቡእና እዩ።4እምብኣርሲ ንሕና ባዕልና ብትዕግስትኹምን እምነትኩምን በቲ ዝጾርኩምዎ ዅሉ ስደትን ጸበባን ብኣኻትኩም ኣብ ማሕበር ኣምላኽ ንምካሕ ኢና፡5ነታ ብዛዕባኣ መከራ እትጸግቡ ዘሎኹም መንግስቲ ኣምላኽ ብቑዓት ኴንኩም ምእንቲ ኽትቍጸሩ፡ እዚ መከራኹም ግሉጽ ምልክት ናይቲ ቕኑዕ ፍርዲ ኣምላኽ እዩ።6-7በቲ ምግላጽ ጐይታና የሱስ ካብ ሰማይ ምስ መላእኽቲ ስልጣኑ ንኣኻትኩም ጸቢብኩም ዘሎን ምሳና ዕረፍቲ፡ ነቶም ዘጻብቡልኩም ዘልዉን ጸበባ ኽፈዲ፡ ብኣምላኽ ቅኑዕ እዩ እሞ፡8ነቶም ንኣምላኽ ዘይፈልጥዎን ንወንጌል ጐይታና የሱስ ዘይእዘዝዎን ብሃልሃልታ ሓዊ ሕነ ኽፈድዮም እዩ።9-10እቲ ኣባኻትኩም ዝመስከርናዮ ምስክር ተኣሚኑ እዩ እሞ፡ የሱስ በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ቅዱሳኑ ክኸብርን ኣብቶም ዝኣመኑ ኽግረምን ምስ መጸ፡ ንሳቶም ብመቕጻዕቲ፡ ናይ ዘለኣለም ጥፍኣት ካብ ቅድሚ ጐይታና ክብሪ ስልጣኑን ርሒቖም፡ ኽቕጽዑ እዮም።
11-12ከም መጠን ጸጋ ኣምላኽናን ጐይታና የሱስ ክርስቶስን፡ ስም ጐይታና የሱስ ኣባኻትኩም ምእንቲ ክኸብር፡ ንስኻትኩምውን ብእኡ ኽትከብሩ፡ ኣምላኽና ነዛ ጽውዓ እዚኣ ብቑዓት ምእንቲ ክቘጽረኩም፡ ብሓይሊውን ኵሉ ሰናይ ስምረትን ግብሪ እምነትን ክፍጽም፡ ብዛዕባኹም ኵሉ ሳዕ ንልምን ኣሎና።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
2ይ ተሰሎንቄ ምዕራፍ 2
1-2ግናኸ፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ ብዛዕባ ምጽኣት ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ናብኡ ምእካብናን፡ መዓልቲ ጐይታ ሕጂ ቕርብቲ ኸም ዘላስ፡ ብመንፈስ ወይስ ብቓል ወይስ ከምታ ኻባና ዝመጸትኩም ደብዳበ፡ ካብቲ ኣእምሮኹም ቀልጢፍኩም ከይትናቓነቑን ከይትስምብዱን፡ ንልምነኩም ኣሎና።3-4ቅድም ክሕደት ከይኰነ፡ እቲ ርእሱ ኣምላኽ ምዃኑ እናኣርኣየ፡ ኣብ መቕደስ ኣምላኽ ክሳዕ ዝቕመጥ፡ ኣምላኽን ቅዱስን ኣብ ዝብሃል ዘበለ ዝትንስእን ዝዕበን ሰብኣይ ዓመጻ፡ እቲ ወዲ ጥፍኣት፡ ከይተገለጸ፡ እታ መዓልቲ እቲኣ ኣይትመጽእን እያ እሞ፡ ብዝኰነ እንተ ዀነ ሓደ እኳ ኣየስሕትኩም።5ኣነ ገና ምሳኻትኩም ከሎኹ፡ እዚ ኸም ዝነገርኹምከ፡ ኣይትዝክርዎን ዲኹም፧6ንሱ በቲ ግዝያቱ ምእንቲ ኽግለጽሲ፡ እቲ ሕጂ ዝኽልክሎ ዘሎ ትፈልጥዎ ኣሎኹም።7ምስጢር ምፍራስ ሕግስ እቲ ሕጂ ዝኽልክሎ ዘሎ ጥራይ ካብ ማእከል ክሳዕ ዝጽረግ ድሮ እኳ ይዓዪ ኣሎ፡8እቲ መፍረስ ሕጊ ድማ ሽዑ ኽግለጽ እዩ። ንእኡ ጐይታና የሱስ ብመንፈስ ኣፉ ገይሩ ኸጥፍኦ፡ ብምግላጽ ምጽኣቱውን ከንቱ ኽገብሮ እዩ።9-10እቶም ዝጠፍኡስ ንምድሓኖም ዝኸውን ፍቕሪ ሓቂ ስለ ዘይተቐበሉ፡ ንኣታቶም ናይ እዚ ኣመጻጽኣ ብዅሉ ጥበራ ዓመጻ፡ ብዅሉ ሓይልን ትእምርትን ተኣምራት ሓሶትን ብሓይሊ ስይጣን እዩ ዝኸውን።11-12ስለዚ ኸኣ እቶም ብዓመጻ ባህ ዝብሎም እምበር፡ ንሓቂ ዘይኣምኑ ዅሎም ምእንቲ ኽፍረዱ፡ ኣምላኽ፡ ነቲ ሓሶት ክሳዕ ዝኣምኑ፡ ብርቱዕ ስሕተት ይሰደሎም።
13ግናኸ፡ ኣቱም ብጐይታ ፍቁራት ኣሕዋትና፡ ኣምላኽ ካብ ጥንቲ ብናይ መንፈስ ቅድስናን ብእምነት ሓቅን ንምድሓን ስለ ዝሐረየኩም፡ ንሕና ብዛዕባኻትኩም ንኣምላኽ ኵሉ ሳዕ ክነመስግኖ ግቡእና እዩ።14ነቲ ኽብሪ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምእንቲ ኽትረኽብዎ እዩ ንሱ ብወንጌልና ገይሩ ዝጸውዓኩም።15ደጊም፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ ጸኒዕኩም ቁሙ እሞ ነቲ ብቓልና ወይስ ብደብዳቤታትና እተመሃርኩምዎ ትምህርትታት ሓዝዎ።
16ግናኸ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ባዕሉን እቲ ዘፍቀረናን ብጸጋ ናይ ዘለኣለም ምጽንናዕን ጽቡቕ ተስፋን ዝሃበና እግዚኣብሄር ኣቦናን፡17ብሰናይ ግብርን ቃልን ዘበለ ልብኹም የጻናንዕን የበርትዕን።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
2ይ ተሰሎንቄ ምዕራፍ 3
1-2ብዝተረፈስ፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ እምነት ናይ ኵሉ ሰብ ኣይኰነትን እሞ፡ እቲ ቓል እግዚኣብሄር ከምቲ ኣባኻትኩም ዝዀኖ ዘሎ ምእንቲ ኽጐይን ክኸብርንሲ፡ ካብቶም ዓመጽትን እኩያትን ሰባት ክንድሕን ጸልዩልና።3ግናኸ እቲ ዘጽንዓኩምን ካብ ክፉእ ዝሕልወኩምን ጐይታ እሙን እዩ።4እቲ እንእዝዘኩም ከኣ ትገብርዎ ኸም ዘሎኹምን ድሕሪ ሕጂ ኸም እትገብርዎን፡ ብዛዕባኻትኩም ኣብ ጐይታ እምነት ኣላትና።5ጐይታ ኸኣ ንልብኹም ናብ ፍቕሪ ኣምላኽን ናብ ትዕግስቲ ክርስቶስን የቕንዓዮ። 6እምብኣርስ፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ ካብቲ በቲ ኻባና እተቐበሎ ምህሮ ዘይነብር፡ ብዘይ ስርዓት ዝመላለስ ዘበለ ሓዉ ክትፍለዩ፡ ብስም ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ንእዝዘኩም ኣሎና።7-8ኣብ ሓዴኹም እኳ ከይነኽብድሲ፡ ለይትን መዓልትን ብጻዕርን ድኻምን እናዓየና እምበር፡ ካብ ሓደ እኳ ብኸምኡ እንጌራ ኣይበላዕናን፡ ኣባኻትኩም ብዘይ ስርዓት ኣይተመላለስናን እሞ፡ ከመይ ኢልኩም ክትመስሉና ኸም ዝግብኣኩም፡ ባዕላትኩም ትፈልጡ ኢኹም።9-10ምሳኻትኩም ከሎናውን፡ ገለ ሰብ ክዓዪ ዘይፈቱ እንተ ዀይኑስ ኣይብላዕውን፡ ኢልና ኣዘዝናኩም እሞ፡ ንኣና ምእንቲ ኽትመስሉ ደኣ፡ ንርእስና ኣርኣያ ጌርና ሃብናኩም እምበር፡ መሰል ስለ ዘይብልና ኣይኰንናን።11ማለት፡ ሓያሎ ኻባኻትኩም ብዘይ ስርዓት ከም ዝመላለሱ፡ ዙረት እምበር፡ ሓንቲ እኳ ኸም ዘይዓዩ፡ ንሰምዕ ኣሎና።12ነዞም ከምዚኣቶም ዝመሰሉ፡ ብህድኣት እናዓየዩ እንጌራኦም ክበልዑ፡ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ንእዝዞምን ንምዕዶምን ኣሎና። 13ኣቱም ኣሕዋትና፡ ንስኻትኩም ግና ሰናይ ንምግባር ኣይትሰልክዩ።14ሓደ እኳ በዛ ደብዳበ እዚኣ እንብሎ ቓልና ዘይእዘዝ እንተሎ፡ ምእንቲ ኽሓፍርሲ፡ ምስኡ ኸይትሓብሩ ምልክት ግበርሉ።15ግናኸ ከም ሓዉ ደኣ ምዓድዎ እምበር፡ ከም ጸላኢ ኣይትቝጸርዎ። 16እምብኣርስ ኣምላኽ ሰላም ባዕሉ ብዅሉ ወገን፡ ኵሉ ሳዕ ሰላም ይሃብኩም። ጐይታ ምስ ኵላትኩም ይኹን። 17እዚ ሰላምታ እዚ ብኢደይ፡ ብኢድ ጳውሎስ እዩ። እዚ ኣብ ኵሉ ደብዳቤታተይ መፈለጥታ እዩ፡ ከምዚ እየ ዝጽሕፍ።18ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምስ ኵላትኩም ይኹን። ኣሜን።
ቀዳመይቲ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ጢሞቴዎስ
1 2 3 4 5 6
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
1ይ ጢሞቴዎስ ምዕራፍ 1
1ጳውሎስ፡ ብትእዛዝ ኣምላኽ መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስ ተስፋናን፡ ናይ የሱስ ክርስቶስ ሃዋርያ፡ 2ናብ ጢሞቴዎስ፡ ብእምነት ናይ ሓቂ ወደይ። ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ካብ ጐይታና ክርስቶስ የሱስን ጸጋን ምሕረትን ሰላምን ምሳኻ ይኹን።
3-4እቲ ናብ መቄዶንያ ክኸይድ ከሎኹ፡ ገሊኦም ካልእ ምህሮ ኸይምህሩ ወይስ ናብ ጽውጽዋያትን መወዳእታ ናብ ዘይብሉ ቝጽሪ ወለዶታትን ከየድህቡ ኽትእዝዝ፡ እዚ ኣብ ክንዲ እቲ ብመጋቢነት ኣምላኽ እሙን ምዃንሲ ዝበዝሕ ክትዕ የምጽእ እዩ ኢለ፡ ኣብ ኤፌሶን ክትቅመጥ ከም ዝመዓድኩኻ፡ ሕጂውን ከምኡ እብል ኣሎኹ። 5እታ መደምደምታ ትእዛዝ ግና ፍቕሪ ኻብ ንጹህ ልቢ፡ ካብ ሰናይ ሕሊና፡ ካብ ልግሚ ዘይብላ እምነት እያ። 6ገሊኦም ካብዚ ዘምቢሎም ናብ ዘረባ ሃተውተው ተመሊሶም፡ 7ነቲ ዝብልዎ ወይስ ነቲ ዘረድእዎ ዘየስተውዕልዎ ኽነሶምሲ፡ መምህራን ሕጊ ክዀኑ እዮም ዝደልዩ። 8ግናኸ ነቲ ሕጊ ብመገዲ ሕጊ እንተ ገበርዎስ፡ ሰናይ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና። 9ሕጊ ንመፍረስቲ ሕጊ እምበር፡ ንጻድቕ ከም ዘይተሰርዐ፡ ካብ ፈለጥናስ፡ ንዘይእዙዛትን ኣምላኽ ንዘይፈርሁን ንሓጥኣንን ንርኹሳትን ንቐለልትን ንቐተልቲ ኣቦኦምን ንቐተልቲ ኣዲኦምን፡ ንቐተልቲ ነፍሲ፡ 10ነመናዝር፡ ግብሪ ሰዶም ንዝገብሩ፡ ንሸየጥቲ ሰብ፡ ንሓሰውቲ፡ ብሓሶት ንዝምሕሉ፡ ሓደ ኻልእውን ምስቲ ጥዑይ ትምህርቲ ዝጻረር እንተሎ፡ ንኣታቶም እዩ። 11እዚውን ከምቲ ንኣይ ሕድሪ እተዋህበ ወንጌል ናይቲ ብሩኽ ኣምላኽ ክብሪ እዩ።
12ኣነ ነቲ ሓይሊ ዝሃበኒ ክርስቶስ የሱስ ጐይታና ነገልግሎቱ መዲቡ፡ እሙን ክኸውን ስለ ዘብቅዓኒ፡ ኣመስግኖ ኣሎኹ። 13ኣነ ቐደም ጸራፍን ሰጓጕን ገፋዕን ነይረ ኽነሰይሲ፡ ከይፈለጥኩ ብዘይ ምእማን ስለ ዝገበርክዎ፡ ምሕረት ረኸብኩ። 14ጸጋ ጐይታና ምስቲ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ዘሎ እምነትን ፍቕርን ብዘይ ልክዕ ዓዘዘ። 15ክርስቶስ የሱስ ነቶም ኣነ ዝቐዳማዮም ሓጥኣን ከድሕን ከም ዝመጸ፡ እዚ ቓል እዚ እሙን እዩ፡ ምቕባሉውን ብዅሉ ግቡእ እዩ። 16ግናኸ የሱስ ክርስቶስ ነቶም ናብ ዘለኣለም ህይወት ክበጽሑ ኢሎም ብእኡ ዝኣምኑ ንኣርኣያ ዅሉ ትዕግስቱ ቕድም ኣባይ ምእንቲ ኸርኢ፡ በዚ ምኽንያት እዚ እየ ኣነ ምሕረት ዝረኸብኩ። 17እምብኣርስ ነቲ ናይ ዘለኣለም ንጉስ፡ ዘይሓልፍ፡ ዘይርአ ሓደ ኣምላኽ ንዘለኣለም ኣለም ክብርን ስብሓትን ይኹኖ። ኣሜን።
18-19ኣታ ጢሞቴዎስ ወደይ፡ ከምቲ ቐደም እተባህለካ ትንቢታት እምነትን ሰናይ ሕልናን ሒዝካ ብእኡ ጽቡቕ ውግእ ምእንቲ ኽትዋጋእ፡ እዚ ትእዛዝ እዚ አማዕቍበካ ኣሎኹ። ገሊኦም ነቲ ሰናይ ሕልናኦም ደርብዮምሲ፡ ናይ እምነት መርከብ ተሰቢራቶም እያ። 20ካባታቶም፡ ከይጸርፉ ምእንቲ ክቕጽዑ ኢለ ንሰይጣን ዝወፈኽዎም፡ ሄሜኔዎስን እስክንድሮስን እዮም።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
1ይ ጢሞቴዎስ ምዕራፍ 2
1-2እምብኣርከ ስለ ዅሉ ሰብ፡ ብዅሉ ኣምልኾን ምርዛንን ሃዲእና ብዘይ ህውከት ምእንቲ ኽንነብርሲ፡ ስለ ነገስታትን ስለ ዅሎም መኳንንትን ልማኖን ጸሎትን ምህልላን ምስጋናን ክግበር፡ ቅድሚ ዅሉ እምዕድ ኣሎኹ። 3-4እዚ ኣብ ቅድሚ እቲ ዅሉ ሰብ ክድሕን ናብ ፍልጠት ሓቂውን ክመጽእ ዝፈቱ እግዚኣብሄር መድሓኒና ጽቡቕን ቅቡልን እዩ። 5ማለት፥ ኣምላኽ ሓደ በይኑ እዩ እሞ እቲ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ሰብን ዘሎ ማእከላይውን፡ እቲ ሰብ፡ ክርስቶስ የሱስ፡ ሓደ በይኑ እዩ። 6ብግዜኡ ንዝኸውን ምስክር ንሱ ኣብ ክንዲ ዅሉ ክኸውን ኢሉ ነፍሱ በጃ ሃበ፡ 7ነዚ ነገርዚ ኸኣ ኣነ ኣዋጅን ሃዋርያን፡— ሓቂ እብል ኣሎኹ፡ ኣይሕሱን እየ፡— ብእምነትን ብሓቅን መምህር ኣህዛብ ንምዃን ተሸምኩ።
8እምብኣርሲ ሰብኡት ብዘይ ኵራን ውልውልን ቅዱሳት ኣእዳው ኣልዒሎም፡ ኣብ ኵሉ ስፍራ ክጽልዩ፡ እደሊ ኣሎኹ። 9-10ኣንስቲውን ከምኡ ብስሩሕ ርእስን ብወርቂ ወይስ በዕናቝ ወይስ ብብዙሕ ዝዋጋኡ ኽዳውንቲ ዘይኰነስ፡ ብግቡእ ክዳውንትን ብሕንክን ብምቕጻዕ ነፍስንን፡ ፍርሃት እግዚኣብሄር ንዘለወን ኣንስቲ ኸም ዝግባእ፡ ብሰናይ ግብሪ ኽስለማ፡ እደሊ ኣሎኹ። 11ሰበይቲ ብዅሉ እናተኣዘዘት ደኣ ብህድኣት ትመሃር። 12-13ኣዳም ቅድም ተፈጢሩ እዩ፡ ደሓር ከኣ ሄዋን እሞ፡ ሰበይቲ ብህድኣት ክትነብር ደኣ እምበር፡ ክትምህር ወይስ ኣብ ሰብኣይ ስልጣን ክህልዋ፡ ኣይፈቅድን እየ። 14ኣዳም ኣይተሓብለን፡ ሰበይቲ ግና ተሓቢላ ኣብ ኣበሳ በጽሐት። 15ብእምነትን ብፍቕርን ብቕድስናን ምስ ምቕጻዕ ነፍሲ እንተ ጸኒዓ ግና፡ ብምውላድ ውሉድ ክትድሕን እያ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
1ይ ጢሞቴዎስ ምዕራፍ 3
1እዚ ቓል እዚ እሙን እዩ፡ ሓደ እኳ መዓርግ ኤጲስቆጶስ እንተ ደለየ፡ ሰናይ ግብሪ ይምነ ኣሎ። 2እምብኣርሲ እቲ ኤጲስቆጶስ መንቅብ ዘይብሉ፡ ሰብኣይ ሓንቲ ሰበይቲ፡ ጥንቁቕ፡ ቀጻዕ ነፍሱ፡ ኣገባብ ዝፈልጥ፡ ተቐባል ጋሻ፡ ንምስትምሃር ብቑዕ ክኸውን ይግባኦ። 3ዘይሰክር፡ ዘይዋቓዕ፡ ግናኸ ልኡም፡ ዘይብኣስ፡ ፈታው ገንዘብ ዘይኰነ። 4-5ነታ ቤቱ ኸስተናብራ ኻብ ዘይክእል ግና፡ ነታ ማሕበር ኣምላኽ ደኣ ኸመይ ገይሩ ኽኣልያ ይዀነሉ፧ ስለዚ ቤቱ ጽቡቕ ገይሩ ዘስተናብርን፡ ብዅሉ ምርዛን እዙዛት ውሉድ ዘለውዎን ይኹን። 6ተነፊሑ ናብ ፍርዲ ድያብሎስ ምእንቲ ኸይወድቕ፡ ሓድሽ ተኽሊ ኣይኹን። 7ኣብ ጸርፍን መፈንጠራ ድያብሎስን ምእንቲ ኸይወድቕ ከኣ፡ ካብቶም ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ጽቡቕ ምስክር ክህልዎ ይግባእ።
8-9ዲያቆናትውን ከምኡ፡ ነቲ ምስጢር እምነት ኣብ ንጹህ ሕልና ሒዞም፡ ረዘንቲ፡ ሰብ ክልተ ልሳን ዘይኰኑ፡ ብዙሕ ወይኒ ንምስታይ ዘይድህቡ፡ ርኹስ ረብሓ ዘይደልዩ ክዀኑ ይግባእ። 10እዚኣቶምውን ቅድም ይመርመሩ፡ መንቅብ ዘይብሎም እንተ ዀኑ፡ ሽዑ የገልግሉ። 11ኣንስቲውን ከምኡ ረዘንቲ፡ ዘይሓምያ፡ ጥንቁቓት፡ ብዅሉውን እሙናት ክዀና ይግባእ። 12-13እቶም ዲያቆናት ኣጸቢቖም ምስ ኣገልገሉ፡ ዓብዪ መዓርግን ብእምነት የሱስ ክርስቶስን ብዙሕ ትብዓትን ይረኽቡ እዮም እሞ፡ ሰብ ሓንቲ ሰበይቲ፡ ደቆምን ኣባይቶምን ኣጸቢቆም ዘስተናብሩ ይኹኑ።
14ናባኻ ቐልጢፈ ኸም ዝመጽእ ተስፋ እናገበርኩ፡ እዚ እጽሕፈልካ ኣሎኹ፡ 15እንተ ደንጔኹ ግና፡ ኣብታ ቤት ኣምላኽ፡ ማለት፡ ናይታ ሓቂ ዓንድን መሰረትን ዝዀነት ማሕበር ህያው ኣምላኽ፡ ከመይ ክትገብር ከም ዝግብኣካ ኽትፈልጥ እፈቱ ኣሎኹ። 16ብሓቂ እቲ ምስጢር ኣምልኾ ዓብዪ እዩ፥ ንሱ እቲ ብስጋ እተገልጸ፡ ብመንፈስ ጸደቐ፡ ንመላእኽቲ ተራእየ፡ ኣብ ኣህዛብ ተሰብከ፡ ኣብ ዓለም ተኣምነ፡ ናብ ክብሪ ዓረገ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
1ይ ጢሞቴዎስ ምዕራፍ 4
1በቲ ዳሕራይ ዘመናት ግና ገሊኦም እምነቶም ክሒዶም፡ ንመናፍስቲ ስሕተት ንምህሮ ኣጋንንትን ከም ዝስዕቡ፡ እቲ መንፈስ ብግሁድ ይብል ኣሎ። 2ብግብዝና እቶም ሕልናኦም ከም ብመዓለም እተዓለመ፡ ሓሶት ዝዛረቡ ሰባት፡ 3መውስቦ እናኸልከሉስ፡ እቶም ኣመንትን ሓቂ ዝፈለጡን፡ ብምስጋና ክቕበልዎ ኢሉ ኣምላኽ ዝፈጠሮ ብልዒውን ሰብ ክሓርሞ ይእዝዙ ኣለዉ። 4-5እቲ ፍጥረት ኣምላኽ ብዘሎ ጽቡቕ እዩ እሞ፡ ብምስጋና እንተ ተቐበልካዮ፡ በቲ ቓል ኣምላኽን ጸሎትን ዝቕደስ ስለ ዝዀነ፡ ገለ እኳ ዝድርበ የብሉን።
6ነቶም ኣሕዋት እዚ እንተ ኣርኣኻዮም፡ ቃል እምነትን እቲ ተኣሚንካ ዝሰዓብካዮ ጽቡቕ ምህሮን እተመገበ ሕያዋይ ኣገልጋሊ የሱስ ክርስቶስ ክትከውን ኢኻ። 7ግናኸ ንነገር ቅለትን ንዕላል ኣንስትን ካባኻ ኣርሕቆ። ንርእስኻ ግና ኣምልኾ ኣልምዳ። 8እቲ ስጋዊ ምልማድ ንቕሩብ ነገር እዩ ዝጠቅም፡ ኣምልኾ ግና ንዅሉ ይጠቅም፡ ነዛ ሕጂ ዘላ ህይወት እዚኣን ነታ እትመጽእን ከኣ ተስፋ ኣለዎ። 9እዚ ቓልዚ እሙን እዩ፡ ምቕባሉውን ብዅሉ ግቡእ እዩ። 10በቲ ንዅሉ ሰብ፡ ምናዳ ንኣመንቲ፡ ዘድሕን ህያው ኣምላኽ ተስፋ ስለ ዝገበርና ኢና እንዓይን እንጽዕርን ዘሎና። 11እዚ ኣዝዝን ምሃርን። 12ነቶም ኣመንቲ ብቓል፡ በካይዳ፡ ብፍቕሪ፡ ብእምነት፡ ብንጽህናውን ኣርኣያ ኹኖም እምበር፡ ነታ ንእስነትካ ሓደ እኳ ኣይንዓቃ። 13ኣነ ኽሳዕ ዝመጽእ፡ ናብ ምንባብን ምምዓድን ምምሃርን ኣቕልብ። 14ነቲ ብትንቢት ብምንባር ኢድ ሽማግለታትን እተዋህበካ፡ ኣባኻ ዘሎ ውህበት ጸጋ ዕሽሽ ኣይትበሎ። 15እዚ ኣጸቢቕካ ሕሰብ፡ እናወሰክካ ትኸይድ ከም ዘሎኻ፡ ኣብ ዅሉ ምእንቲ ኽግለጽሲ፡ ነዚ ነገርዚ ብምሉእ ርእስኻ ወፊ። 16ንርእስኻን ንትምህርትኻን ተጠንቀቕ፡ በዚ ነገርዚ ጽናዕ። እዚ እንተ ገበርካስ፡ ንርእስኻን ነቶም ዝሰሞዑኻን ከተድሕን ኢኻ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
1ይ ጢሞቴዎስ ምዕራፍ 5
1ንኣረጊት ሰብኣይ ከም ነቦ ምዓዶ እምበር፡ ኣይትዝብሓዮ። ነቶም መንእሰይ ከም ነሕዋት ምዓዶም። 2ንኣረገውቲ ኣንስቲ ኸም ነዴታት፡ ነተን ናእሽቱ ኣንስቲ ኸም ንኣሓት ጌርካ ብዅሉ ንጽህና ምዓደን። 3ነተን መበለታት፡ ብሓቂ መበለታት ዝዀና ኣኽብረን። 4ገለ መበለት ግና ደቂ ወይስ ደቂ ደቂ እንተ ኣለውዋ፡ እዚ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅቡል እዩ እሞ፡ ንሳቶም ቅድም ንስድራ ቤቶም ፍርሃት እግዚኣብሄር ከርእዩ ንወለዶምውን ውሬታ ኽመልሱ ይምሃሩ። 5እታ ንበይና እትነብር፡ ተስፋኣ ኣብ እግዚኣብሄር እትገብር፡ ብሓቂ መበለት ዝዀነት ግና፡ ለይትን መዓልትን ብልማኖን ጸሎትን እያ እትጸንዕ። 6እታ ሕንቅቕቲ ግና፡ ብህይወታ ኸላስ ምውቲ እያ። 7ብዘይ መንቅብ ምእንቲ ክዀኑስ፡ እዚ ድማ ኣዝዝ። 8ሓደ እኳ ነቶም ናቱ፡ ምናዳ ግና ንስድራ ቤቱ፡ ዘይሓሊ እንተሎ፡ እምነት ዝኸሓደ ካብቲ ዘይኣምንውን ዝገደደ እዩ።
9-10ብሰናይ ግብሪ እተመስከረላ፡ ውሉድ ዘዕበየት፡ ጋሻ እተቐበለት፡ እግሪ ቅዱሳን ዝሓጸበት፡ ንዝጸበቦም ዘርሃወት፡ ሰናይ ግብሪ ዘበለ ዝሰዓበት፡ ካብ ስሳ ዓመት ዘይነኣሰት፡ ሰበይቲ ሓደ ሰብኣይ ዝነበረት ከም መበለት ኰይና ትቈጸር። 11ሓያማት ግና ንክርስቶስ ተጻሪረን ፍትወት ስጋ ምስ ተላዕለን፡ ክምርዓዋ እየን ዝደልያ እሞ፡ ንኣታተን ኣርሕቀን። 12ንሳተን፡ ነታ ቐዳማይቲ እምነተን ስለ ዝጠለማ፡ ፍርዲ ኣለወን። 13ኣብ ልዕሊዝውን ቤተ ቤት እናዞራ ምብኳር ዕዮ እየን ዝምህራ፡ ዘይግባእ እናተዛረባውን መብዛሕቲ ኣፍን ወልፋሳትን ይዀና እምበር፡ ምብኳር ዕዮ ጥራይ ኣይኰናን። 14እምብኣርሲ እተን ሓያማት ክምርዓዋ፡ ውሉድ ክወልዳ፡ ቤተን ክሕዛ፡ ጸላኢ ዝጸርፈሉ ሓደ ምኽንያት እኳ ኸይህባ፡ እደሊ ኣሎኹ። 15ገሊአንሲ ድሮ እኳ ዘምቢለን፡ ደድሕሪ ሰይጣን ስዒበን ኣለዋ። 16ንሓደ ኣማኒ ወይስ ኣማኒት፡ መበለታት እንተ ኣለዋኦም፡ ባዕላቶም ይሕለዩለን፡ ነተን ብሓቂ መበለታት ዝዀና ምእንቲ ኽትሓሊ፡ ነታ ማሕበር ኣየኽብዱላ።
17-18እቲ ጽሑፍ፡ ኣፍ እቲ ዘኽይድ ብዕራይ ኣይትእሰር፡ ድማ፥ ንዓያዪ ውዕለቱ ይግብኦ እዩ፡ ይብል እዩ እሞ፡ ነቶም ጽቡቕ ዘገልግሉ ሽማግለታት፡ ምናዳ ነቶም ብቓልን ብምህሮን ዝጽዕሩ፡ ዕጽፊ ኽብሪ ይግብኦም እዩ። 19ብናይ ሽማግለ ኸኣ፡ ብምስክር ክልተ ወይ ሰለስተ እንተ ዘይኰይኑስ፡ ክሲ ኣይትቀበል። 20ነቶም ሓጢኣት ዝገበሩውን፡ እቶም ካልኦት ምእንቲ ኽፈርሁ፡ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ግንሓዮም። 21ተቐዳዲምካ ኸይፈረድካን ሓንቲ እዃ በድልዎ ኸይገበርካን፡ እዚ ኽትሕሉ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣብ ቅድሚ ክርስቶስ የሱስን ኣብ ቅድሚ እቶም ሕሩያት መላእኽትን እምሕጸነካ ኣሎኹ። 22ብታህዋኽ ኣብ ሓደ እኳ ኢድካ ኣይተንብር፡ ኣብ ሓጢኣት ካልኦትውን ኣይትጸምበር። ንርእስኻ ብንጽህና ሓሉ። 23ደጊም ስለ ከብድኻን ስለቲ ዝመላለሰካ ዘሎ ሕማምንሲ፡ ሒደት ወይኒ ደኣ እምበር፡ ማይ ጥራይ ኣይትስተ። 24ሓጢኣት ገሊኦም ሰባት ግሁድ እዩ፡ ናብ ፍርዲ ኸኣ ይቕድሞም። ናይ ገሊኦም ግና ይስዕቦም እዩ። 25ከምኡ ኸኣ እቲ ሰናይ ግብሪ ግሉጽ እዩ፡ እቲ ዘይግሉጽውን ክስወር ኣይከኣሎን እዩ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
1ይ ጢሞቴዎስ ምዕራፍ 6
1እቶም ኣብ ትሕቲ ኣርዑት ዘለዉ ዅሎም ባሮት ከኣ፡ ስም ኣምላኽን እቲ ምህሮን ምእንቲ ኸይጽረፍሲ፡ ነቶም ጐይተቶም ክብረት ዘበለ ኸም ዝግብኦም ይቝጸርዎም። 2እቶም ኣመንቲ ጐይተት ዘለዎም ድማ፡ ኣሕዋቶም ብምዃኖም ኣይንዓቕዎም፡ እቶም በቲ ጽቡቕ ዕዮኦም ዝጥቀሙ ዘለዉ ኣመንትን ፍቁራትን ብምኳኖም እባ ደኣ ኣብዚሖም ይገዝእዎም። እዚ ነገርዚ ምሃርን ምዓድን።
3ሓደ እኳ ኻልእ ምህሮ እንተ መሃረ፡ በቲ ጥዑይ ቃል ጐይታና የሱስ ክርስቶስ በቲ ኣምልኾ ዘለዎ ምህሮን እንተ ዘይተታሕዘ፡ 4-5ንሱ ብኽትዕን ብዘብእስ ዘረባን ሓሚሙ እዩ እምበር፡ ሓንቲ እኳ ዘይፈልጥ ንፉሕ እዩ። ካብዚ እዩ ቕንኢ፡ ባእሲ፡ ጸርፊ፡ ሕሱም ጥርጥር፡ ናይቶም ሓሳቦም ዝጠፍአን ሓቂ ዝሰኣኑን ሰባት ብርቱዕ ጽልኢ ዝመጽእ፡ ካብ ከምዚኣቶም ዘመሰሉ ርሓቕ። እዚኣቶም ኣምልኾስ መገባብሮ ረብሓ ኸም ዝዀነ እዩ ዝመስሎም። 6ግናኸ ኣምልኾ ምስ ይኣኽለኒ ምባል ዓብዪ ረብሓ እዩ። 7ማለት፥ ናብ ዓለም ሓንቲ እኳ ኣየምጻእናን እሞ ሓንቲ ኽንወስድ ኣይከኣለናን እዩ። 8ቀለብናን ክዳንናን እንተ ኣሎናስ፡ ንሱ ይእከለና። 9እቶም ክህብትሙ ዝደልዩ ግና ኣብ ፈተናን መፈንጠራን፡ ኣብ ብዙሕ ንሰብ ናብ ምብራስን ጥፍኣትን ዘስጥሞ ናይ ዕሽነትን ጕድኣትን ትምኒት እዮም ዝወድቁ። 10እቲ ፍቕሪ ገንዘብሲ ሱር ኵሉ ኽፍኣት እዩ እሞ፡ ገሊኦም ንእኡ እናተመጣጠሩ ኻብ እምነት ዘምበሉ፡ ናብ ርእሶምውን ብዙሕ ስቓይ ኣምጽኡ።
11ኣታ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ንስኻ ግና ካብዚ ህደም እሞ ደድሕሪ ጽድቂ፡ ኣምልኾ፡ እምነት፡ ፍቕሪ፡ ትዕግስቲ፡ ህድኣት ሰዓብ። 12ጽቡቕ ገድሊ እምነት ተጋደል፡ ነታ እተጸዋዕካላ ኣብ ቅድሚ ብዙሓት ምስክርውን ጽቡቕ ምእማን እተኣመንካላ ህይወት ዘለኣለም ሓዛ። 13-14ክሳዕ ምግላጽ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ነቲ ትእዛዝ ብዘይ ርስሓትን መንቅብን ክትሕልዎ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ንዅሉ ህያው ዝገብር ኣምላኽን ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ጶንጥዮስ ጲላጦስ ጽቡቕ ምእምን እተኣመነ ክርስቶስ የሱስን እእዝዘካ ኣሎኹ። 15ብግዝያቱ ዝገልጾ፡ እቲ ብጹእ በይኑ ኸኣ ስልጣን ዘልዎ ንጉስ ነገስታት፡ ጐይታ ጐይተትውን፡ 16ንሱ በይኑ ዘይመውት፡ ሓደ ሰብ እኳ ከቶ ዘይረኣዮ ኽርእዮውን ዘይኽእል፡ ኣብ ዘይቅረብ ብርሃን ዝነብር፡ ንእኡ ኽብርን ናይ ዘለኣለም ስልጣንን ይኹን። ኣሜን።
17ነቶም ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘለዉ ሃብታማት ከይዕበዩ፡ በቲ ኽንሕጐስ ኢሉ ዅሉ ብልግሲ ዝሃበና ኣምላኽ እምበር፡ በዚ ሓላፊ ሃብቲ ኸይእመኑ ኣዝዞም። 18ገበርቲ ሰናይ ክዀኑ፡ ብሰናይ ግብሪ ኽህብትሙ፡ ለጋሳትን መማቐልትን ክዀኑ፡ 19ናይ ሓቂ ህይወት ምእንቲ ክረኽቡስ፡ ነቲ ዝመጽእ ዘሎ ግዜ ጽቡቕ መሰረት ንርእሶም ክእክቡ ኣዝዞም።
20-21ኣታ ጢሞቴዎስ፡ ካብቲ፡ ገሊኦም ተኣሚኖምዎ ኻብ እምነት ዘምቢሎም ዘለዉ፡ ብሓሶትሲ ፍልጠት ተባሂሉ ዘሎ ርኹስ ሃተውተውን ክትዕን ርሓቕ። ነቲ ሕድሪ እተዋህበካ ሓልዎ። ጸጋ ምሳኻ ይኹን። ኣሜን።
2ይቲ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ጢሞቴዎስ
1 2 3 4
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
2ይ ጢሞቴዎስ ምዕራፍ 1
1ጳውሎስ፡ ከም እታ ተስፋ ናይታ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ዘላ ህይወት፡ ብፍቓድ ኣምላኽ ሃዋርያ የሱስ ክርስቶስ ዝዀነ፡ 2ናብ ጢሞቴዎስ ፍቁር ወደይ፡ ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ካብ ክርስቶስ የሱስ ጐይታናን ጸጋ፡ ምሕረት፡ ሰላም ምሳኻ ይኹን።
3-5እታ ኣባኻ ዘላ፡ ልግሚ ዘይብላ ቕድም ኣብ ሎኢስ ዓባይካ፡ ኣብ ኤውኒቄ ኣዴኻውን ዝሓደረት እምነት እናዘከርኩ፡— ኣባኻ ድማ ኸም ዘላ ተረዲአ ኣሎኹ፡— ንብዓትካ ዘኪረ፡ ብታሕጓስ ምእንቲ ክመልእሲ፡ ክርእየካ እናናፈቕኩ፡ ብጸሎተይ ለይትን መዓልትን ከየብኰርኩ እናዘከርኩኻ፡ ነቲ ኻብ ኣቦታተይ ጀሚረ ብንጹህ ሕሊና ዘገልግሎ ዘሎኹ ኣምላኽ አመስግኖ ኣሎኹ።
6-7በዚ ምኽንያት እዚ፡ ኣምላኽሲ መንፈስ ሓይልን ፍቕርን ቅጽዓትን እምበር፡ መንፈስ ፍርሃት ኣይሃበናን እሞ፡ ነቲ ብምንባር ኢደይ ኣባኻ ዘሎ ውህበት ኣምላኽ ክትሕድሶ አዘክረካ ኣሎኹ። 8ደጊም ብሓይሊ ኣምላኽ ምእንቲ ወንጌል ምሳይ መከራ ጽገብ እምበር፡ ብምስክር ጐይታና ወይስ ብኣይ ብእሱር ኣይትሕፈር። 9ኣምላኽ ብፍቓድ ርእሱን በቲ ብክርስቶስ የሱስ ቅድሚ ዘመናት ዓለም እተዋህበና ጸጋን ኣድሓነና ብቕዱስ ጽውዓውን ጸውዓና እምበር፡ ብግብርና ኣይኰነን። 10ሕጂ ግና ብምግሃድ መድሓኒና የሱስ ክርስቶስ ተገልጸ፡ ንሱ ንሞት ዝሰዓሮ፡ ንህይወትን ንዘይምጥፋእን ብወንጌል ናብ ብርሃን ዘውጽኦ፡ 11ነዚ ኣነ ኣዋጅን ሃዋርያን መምህር ኣህዛብ ክኸውን ተሸምኩ። 12ብምኽንያቱውን እየ እዚ ሓሳር እዚ ዝጸግብ ዘሎኹ፡ ግናኸ ብመን ከም ዝኣመንኩ እፈልጥ እየ፡ ነቲ ገንዘብ ሕድሪውን ክሳዕ እታ መዓልቲ እቲኣ ምሕላዉ ኸም ዝከኣሎ ተረዲአዮ ኣሎኹ እሞ፡ ኣይሓፍርን እየ። 13ነቲ ካባይ ዝሰማዕካዮ ጥዑይ ቃል ከኣ በቲ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ዘሎ እምነትን ፍቕርን ንምሳሌ ሓዞ። 14ነቲ እተቐበልካዮ ጽቡቕ ሕድሪ በቲ ኣባና ሓዲሩ ዘሎ መንፈስ ቅዱስ ሓልዎ።
15እቶም ኣብ እስያ ዘለዉ ዅላቶም፡ ካባታቶም ከኣ ፍጌሎስን ህርሞጌኔስን፡ ከም ዝኸድዑኒ፡ እዚ ትፈልጥ ኣሎኻ። 16-17ኦኔሲፎሮስ ናብ ሮሜ መጺኡ፡ ኣዝዩ ደለየንን ረኸበንን፡ ብዙሕ ሳዕ ኣፈሽሒዉለይ፡ በቲ መቝሐይውን ኣይሓፈረን እሞ፡ እግዚኣብሄር ንቤቱ ምሕረት ይሃብ። 18በታ መዓልቲ እቲኣ ምሕረት ካብ ጐይታ ክረክብ፡ እግዚኣብሄር ይሃቦ። ኣብ ኤፌሶን ክንደይ ከም ዘገልገለኒውን፡ ካባይ ዝበልጽ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
2ይ ጢሞቴዎስ ምዕራፍ 2
1ኣታ ወደየ፡ እምብኣርሲ በቲ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ዘሎ ጸጋ ደልድል። 2እዚ ኣብ ቅድሚ ብዙሓት ምስክር ካባይ ዝሰማዕካዮ ድማ ንኻልኦት ክምህሩ ንዝከኣሎም እሙናት ሰብ ሕድሪ ሃቦም። 3ከም ንፉዕ ናይ ክርስቶስ የሱስ ዓቀይታይ ምሳይ ኴንካ መከራ ጽገብ። 4ዓቀይታይ ናብ ኵናት ከይዱስ፡ ነቲ ዘዐቀዮ ምእንቲ ኸስምሮ ኢሉ፡ ብናይ መነባብሮኡ ዝጠላለፍ የልቦን። 5ከምእውን ሓደ ኣብ ስፍራ መቃለሲ ዀይኑ ዝቃለስ፡ ከምቲ ሕጉ ገይሩ እንተ ዘይተቓለሰ፡ ኣኽሊል ዓወት ኣይረክብን እዩ። 6እቲ ዝዓዪ ሓረስታይ ካብቲ ፍረ ቕድም ግዲኡ ኽወስድ ይግብኦ እዩ። 7እግዚኣብሄር ብዅሉ ኣእምሮ ኽህበካ እዩ እሞ፡ ነዚ ዝብሎ ዘሎኹ ኣስተብህሎ።
8ነቲ ኸም ወንጌለይ ካብ ዘርኢ ዳዊት ዝዀነ ካብ ምዉታትውን ዝተንስአ የሱስ ክርስቶስ ዘክሮ። 9ብዛዕባኡ ኸም ገባር ክፉእ ተቘጺረ ኽሳዕ መቝሕ ሓሳረ መከራ እጸግብ ኣሎኹ፡ ግናኸ እቲ ቓል ኣምላኽሲ ኣይእሰርን እዩ። 10ስለዚ ምእንቲ እቶም ሕሩያት፡ ንሳቶም ድማ እቲ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ዘሎ ምድሓን ምስ ናይ ዘልኣለም ክብሪ ምእንቲ ክረኽቡ፡ ንዅሉ እዕገስ ኣሎኹ። 11እሙን ቃል እዩ፡ ምስኡ እንተ ሞትናስ፡ ምስኡ ኸኣ ብህይወት ክንነብር ኢና። 12እንተ ተዓገስና፡ ምስኡ ኸኣ ክንነግስ ኢና። እንተ ኸሓድናዮ፡ ንሱውን ክኽሕደና እዩ። 13ንሕና እንተ ጠለምናዮ፡ ንሱ ንርእሱ ክኽሕድ ኣይከኣሎን እዩ እሞ፡ እሙን ኰይኑ እዩ ዝነብር።
14ነቶም ዝሰምዕዎ ዘስሕቶም፡ ረብሓ ብዘይብሉ ቓል ከይብኣሱ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እናመስከርካ፡ እዚ ኣዘክሮም። 15ንርእስኻ እቲ ቓል ሓቂ ብቕንዕና ዘማቕል፡ ዘሕፍር ዘይብሉ ፍቱን ዓያዪ ጌርካ፡ ንኣምላኽ ከተርእዮ ጽዓር። 16ነቲ ፍረ ዘይብሉ፡ ርኹስ ዘረባ ግና ኣግልሰሉ። ናብ ረሲእነት እናገደዱ ይኸዱ እዮም እሞ፡ 17እቲ ዘረባኦም ከም መንሽሮ እናለሓመ ዝባላዕ እዩ። ሄሜኔዎስን ፊሌጦስን ካባታቶም እዮም። 18ንሳቶም፡ ትንሳኤ ቕድሚ ሕጂ ዀይኑ፡ እናበሉ ኻብ ሓቂ ዘምቢሎም፡ እምነት ሓያሎ ሰባት ይገላብጡ ኣለዉ። 19እቲ ጽኑዕ መሰረት ኣምላኽ ግና ቈይሙ ኣሎ፡ እዚ ማሕተም እዚውን ኣለዎ፡ እግዚኣብሄር ነቶም ናቱ ዘበሉ ይፈልጦም እዩ፡ ስም እግዚኣብሄር ዝሰሚ ዘበለ ዅሉ ኸኣ ካብ ዓመጻ ይርሓቕ።
20ግናኸ ኣብ ዓብዪ ቤት ካብ ዕንጨይትን መሬትን ዝዀነ ኣቓሑ ድማ እምበር፡ ኣቕሑ ወርቅን ብሩርን ጥራይ ኣይኰነን ዝርከብ፡ ገሊኡ ንኽብረት ገሊኡውን ንውርደት ይኸውን። 21እምብኣርሲ ሓደ እኳ ርእሱ ኻብ እዚኣቶም እንተ ኣጽረየ፡ ንሱ ኣቕሓ ኽብሪ እተቐደሰ፡ ንተግባር ብዓል ቤት ዝጠቅም፡ ንሰናይ ግብሪ ዘበለ እተዳለወ ይኸውን እዩ።
22ካብ ትምኒት ጕብዝና ህደም፡ ምስቶም ብንጹህ ልቢ ንእግዚኣብሄር ዝጽውዕዎ ኸኣ ኣሰኣሰር ጽድቅን እምነትን ፍቕርን ሰላምን ስዓብ። 23ነቲ ክርክር ዕሽነትን ላግጽን ግና፡ ባእሲ ኸም ዘምጽእ ፈሊጥካ፡ እበዮ። 24ባርያ እግዚኣብሄር ንዅሉ ለዋህ፡ መሃሪ፡ ዕጉስ ክኸውን እምበር፡ ክብኣስ ኣይግብኦን እዩ። 25ምናልባሽ እግዚኣብሄር ንሓቂ ምእንቲ ክፈልጥዋ ኢሉ፡ ንስሓ እንተ ሃቦም፡ ንሱ ነቶም ተጻረርቲ ብህድኣት እናገንሖም፡ 26ፍቓድ ኣምላኽ ክገብሩ ኢሉ ምስ ኣውጽኦም፡ ንሳቶም ካብ መፈንጠራ ድያብሎስ ኣምሊጦም ናብ ልቦም ይምለሱ እዮም።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
2ይ ጢሞቴዎስ ምዕራፍ 3
1ኣብተን ዳሕሮት መዓልታት ግና ክፉእ ዘመን ከም ዝመጽእ፡ እዚ ፍለጥ። 2ሽዑ ሰባት ፈተውቲ ርእሶም ክዀኑ እዮም እሞ፡ ፈተውቲ ገንዘብ፡ ተጀሃርቲ፡ ዕቡያት፡ ተጻረፍቲ፡ ንወለዶም ዘይእዘዙ፡ ዘየማስዉ፡ ርኹሳት፡ 3ፍቕሪ ንስድራ ቤቶም እኳ ዘይብሎም፡ ተቐየምቲ፡ ሓመይቲ፡ ቀለልቲ፡ ጨካናት፡ ሰናይ ዘይፈትዉ፡ 4ኣሕሊፎም ዝህቡ፡ ህዉኻት፡ ተፈኽነንቲ፡ ካብ ንኣምላኽ ምፍቃርሲ ኣዕዚዞም ተድላ ዝፈትዉ፡ 5-7እቶም መልክዕ ኣምልኾ ዘለዎም፡ ነቲ ሓይሉ ግና ዝኽሕድዎ፡ ናብ ኣባይቲ ህሩግ እናበሉ፡ ሓጢኣት ዝመልአንን ብብዙሕ ትምኒት ዝድፍኣን፡ ኵሉ ሳዕ ዝምሃራ ናብቲ ፍልጠት ሓቂ ክበጽሓ ግና ከቶ ዘይከኣለን ኣንስቲ ዝማርኹ፡ ካብ እዚኣቶም እዮም እሞ፡ ካብ እዚኣቶምውን ርሓቕ። 8ከምቲ እያኔስን እያምብሬስን ንሙሴ እተቓወምዎ፡ እቶም ኣእምሮኦም ዝጠፍአ፡ ብእምነት ዘይተፈተኑ ሰባት ድማ ከምኡ ነታ ሓቂ ይቃወምዋ ኣለዉ። 9ግናኸ ከምቲ ናይ እቲኣቶም ዝዀነ ኸኣ፡ እቲ ዕሽነቶም ንዅሉ ኽግለጽ እዩ እሞ፡ ካብኡ ሓሊፎም ኣየስልጡን እዮም።
10ንስኻ ግና ንትምህርተይ፡ ንንብረተይ፡ ንፍቓደይ፡ ንእምነተይ፡ ንዓቕለይ፡ ንትዕግስተይ ኣጸቢቕካ ሰዓብካ። 11ኣብ ኣንጾክያን ኢቆንዩምን ልስጥራን ብዝበጽሓኒ ስደተይ፡ መከራይ፡ ከምዚ ዝበለ ስደት ጾርኩ፡ ጐይታ ግና ካብ ኵሉ ኣድሓነኒ። 12ግናኸ እቶም ብክርስቶስ የሱስ ብፍርሃት እግዚኣብሄር ክነብሩ ዝደልዩ ዅሎም ክስጐጉ እዮም። 13እቶም እኩያት ሰባትን ጠበርትን ግና እናኣስሓቱን እናሰሓቱን ናብ ዝገደደ ክበጽሑ እዮም። 14-15ንስኻ ግና ካብ እንመን ከም እተመሃርካ ፈሊጥካ፡ ነተን ካብ ቍልዕነትካ ጀሚርካ ብእምነት ብክርስቶስ የሱስ ንምድሓን ከለብማኻ ዝኽእላ ቅዱሳት ጽሑፋት ፈሊጥካ፡ በቲ እተምሃርካዮን እተረዳእካዮን ጽናዕ። 16-17እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺሙ ተዳልዩ፡ ፍጹም ምእንቲ ክኸውንሲ፡ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ ንትምህርቲ፡ ንተግሳጽ፡ ንምቕናዕ፡ ንጽድቂ ዝኸውን ምእዳብ ይጠቅም እዩ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
2ይ ጢሞቴዎስ ምዕራፍ 4
1-4ኣእዛኖም ኣስሕይዎም ደኣ፡ ብትምኒት ርእሶም መምህራን ክእክቡ እምበር፡ ነቲ ጥዑይ ትምህርቲ ዘይዕገሱሉ ዘመን ክመጽእ እዩ፡ ሽዑ ኣእዛኖም ካብ ሓቂ ክመልሱ፡ ናብ ጽውጽዋያትውን ክምለሱ እዮም እሞ፡ ብዅሉ ዓቕልን ብምህሮን እቲ ቓል ክትሰብኽ፡ ብግዜኡን ብዘይግዜኡን ከተስምዕ፡ ክትገንሕ፡ ክትቀጽዕ፡ ክትምዕድ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣብ ቅድሚ እቲ ንህያዋንን ምዉታንን ክፈርድ ዘለዎ ክርስቶስ የሱስን በቲ ምግላጽ መንግስቱን አማሕጽነካ ኣሎኹ። 5ንስኻ ግና ብኹሉ ተጠንቀቕ፡ መክራ ጽገብ፡ ግብሪ ወንጌላዊ ግበር፡ ኣገልግሎትካ መልእ። 6ኣነስ ካብ ሕጂ እስዋእ ኣሎኹ፡ እታ መዓልቲ ምስንባተይውን በጺሓ እያ እሞ፡ 7ሰናይ ገድሊ ተጋዲለ፡ እቲ ጕያ ወዲአ፡ ነታ እምነት ሓልየ። 8ደጊምሲ ጐይታይ፡ ንሱ እቲ ጻድቕ ፈራዲ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ዝህበኒ ኣኽሊል ጽድቂ ተነቢሩለይ ኣሎ። እዚ ግና ነቶም ምግሃዱ ዘፍቅሩ ኩላቶም ድማ እዩ እምበር፡ ንኣይ ጥራይ ኣይኰነን።
9ቀልጢፍካ ናባይ ክትመጽእ ፍጠን። 10ዴማስ፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ፈትይዋ እዩ እሞ፡ ሓደገኒ ናብ ተሰሎንቄውን ከደ። ክሬስኬስ ናብ ገላትያ፡ ቲቶስ ናብ ደልማይታ ከዱ። 11ሉቃስ ጥራይ ምሳይ ኣሎ፡ ማርቆስ ንዕዮ ይጠቕመኒ እዩ እሞ፡ ተማልኣዮ፡ ምሳኻ ይምጻእ። 12ንጥኪቆስ ግና ናብ ኤፌሶን ሰዲደዮ ኣሎኹ። 13ክትመጽእ ከሎኻ፡ እቲ ኣብ ጥሮኣስ ምስ ቃርጶስ ዝሓደግክዎ ባርኖስን እቲ መጻሕፍትን፡ ምናዳ እቲ ብራናታት፡ ተማልኣለይ። 14እስክንድሮስ፡ እቲ ኣንጠረኛ፡ ብዙሕ ክፉእ ገይሩኒ። እግዚኣብሄር ከምታ ግብሩ ኽፈድዮ እዩ። 15ንሱ፡ ነቲ ቓልና ብዙሕ ይጻረሮ እዩ እሞ፡ ንስኻ ድማ ካብኡ ተሓሎ። 16ኣብቲ ቐዳማይ ምጕተይ፡ ኣይሓዘሎም፡ ኵላቶም ጠለሙኒ እምበር፡ ሓደ እኳ ምሳይ ኣይነበረን። 17እቲ ስብከት ብኣይ ምእንቲ ኽምላእ፡ ኵሎም ኣህዛብውን ምእንቲ ኽሰምዑ ግና፡ ጐይታ ቘመለይ፡ ኣበርትዓኒ፡ ካብ ኣፍ ኣንበሳውን ኣናገፈኒ። 18እግዚኣብሄር ካብ እኩይ ግብሪ ዘበለ ኸናግፈኒ፡ ናብታ ሰማያዊት መንግስቱ ኽኣቱውን ከድሕነኒ እዩ። ንእኡ ኻብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ክብሪ ይኹኖ። ኣሜን። 19ንጵርስኪላን ንኣኪላስን ንቤት ኦኔሲፎሮስን ሰላም በለለይ። 20ኤራስጦስ ኣብ ቈረንቶስ ተሪፉ፡ ንጥሮፊሞስ ግና ሓሚሙ ኣብ መሊጦስ ሓዲገዮ ኣሎኹ። 21ቅድሚ ኽረምቲ ንምምጻእ ፍጠን። ኤውቡሎስን ጱደንስን ሊኖስን ቅላውድያን ኵላቶም ኣሕዋትን ሰላም ይብሉኻ ኣለዉ። 22ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምስ መንፈስካ ይኹን። ጸጋ ምሳኻትኩም ይኹን። ኣሜን።
መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ቲቶስ
1 2 3
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ቲቶስ ምዕራፍ 1
1ጳውሎስ፡ ባርያ ኣምላኽን ሃዋርያ የሱስ ክርስቶስን፡ ብእምነት ሕሩያት ኣምላኽ ብፍልጠት ሓቂውን ምስ ኣምልኾ፡2በታ እቲ ዘይሕሱ ኣምላኽ ቅድሚ ዘመናት ዘለኣለም ዘተስፈዋ ተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት፡3ግናኸ ብትእዛዝ ኣምላኽ መድሓኒና በቲ ንኣይ ሕድሪ ዝሃበኒ ስብከት ገይሩ ብግዜኡ ንቓሉ ገለጾ፡4ናብ ቲቶስ፡ ብሕብረት እምነት ናይ ሓቂ ወደይ። ካብ እግዚኣብሄር ኣቦን ካብ ጐይታና መድሓኒና የሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ምሳኻ ይኹን።
5ከምቲ ኣነ ዝኣዘዝኩኻ ጌርካ ዝተረፈ ምእንቲ ኽትሰርዕ፡ ኣብ ከከተማኡውን ሽማግለታት ክትሸይም፡ በዚ ምኽንያት እዚ እየ ኣብ ቅሬጥስ ዝሓደግኩኻ፡6-8እቲ ኤጶስቆጶስ ከኣ መንቅብ ዘይብሉ፡ ሰብኣይ ሓንቲ ሰበይቲ፡ ብርኽሰት ወይስ ብዘይ ምእዛዝ ዘይሕመዩ ኣመንቲ ውሉድ ዘለውዎ፡ ተቐባል ጋሻ፡ ሰናይ ዝፈቱ፡ ለባም፡ ቅኑዕ፡ ቅዱስ፡ ይኣኽለኒ በሃሊ፡ መንቅብ ዘይብሉ፡ ከም ናይ ኣምላኽ መጋቢ እምበር፡ ፈታው ርእሱ ዘይኰነ፡ ዘይኵሪ፡ ናብ መስተ ዘየድህብ፡ ዘይዋቓዕ፡ ርኹስ ረብሓ ዘይደሊ ሰብ ክኸውን ይግባእ።9ንሱ በቲ ጥዑይ ትምህርቲ ምእንቲ ኽምዕድ፡ ነቶም ተቓናቐንቲውን ምግናሖም ምእንቲ ኽከኣሎስ፡ በቲ እሙን ቃል ምህሮ ይጽናዕ።
10ብዙሓት ዘይእዘዙ ተዛረብቲ ሃተውተውን መስሓትትን ኣለዉ፡ እዚኣቶም ምናዳ ኻብ ሰብ ግዝረት እዮም።11ንሳቶም ርኹስ ረብሓ ምእንቲ ክረኽቡ ኢሎም፡ ዘይግባእ እናመሃሩ፡ ንብዘሎ ኣባይቲ ዝገላባብጡ፡ ምዕባስ ኣፎም ግቡእ እዩ።12ሓደ ኻባታቶም፡ ናታቶም ነብዪ፡ ሰብ ቅሬጥስ ኵሉ ሳዕ ሓሰውቲ፡ እኩያት ኣራዊት፡ ሃካያት ኣኽብዲ እዮም፡ በለ።13-14እዚ ምስክር እዚ ሓቂ እዩ። ስለዚ ብእምነት ምእንቲ ኽጥዕዩ፡ ናብ ጽውጽዋያት ኣይሁድን ናብ ትእዛዛት እቶም ካብ ሓቂ ዝዘምበሉ ሰባትን ከየቕልቡ፡ ኣሕሚምካ ግንሓዮም።15ነቶም ርኹሳትን ዘይኣምኑን ግና፡ እቲ ኣእምሮኦምን ሕልናኦምን ርኹስ እዩ እምበር፡ ከቶ ንጹህ የብሎምን።16ንኣምላኽ ከም ዝፈልጥዎ ባዕሎም ይብሉ፡ ፍንፉናትን ዘይእዘዙን ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ዅሉ ዘይጠቕሙን ብምዃኖም ግና በቲ ግብሮም ይኽሕድዎ ኣለዉ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ቲቶስ ምዕራፍ 2
1ንስኻ ግና ነቲ ጥዑይ ትምህርቲ ኸም ዝግባእ ጌርካ ንገር፡2እቶም ኣረገውቲ ሰብኡት ጥንቁቓት፡ ረዘንቲ፡ ለባማት፡ ብእምነት፡ ብፍቕሪ፡ ብትዕግስቲ ጥዑያት ክዀኑ፡3እተን ኣረገውቲ ኣንስቲውን ከምኡ ንንብረት ቅድስና ኸም ዝግባእ፡ ዘይሓመይቲ፡ ብዙሕ ወይኒ ንምስታይ ባሮት ዘይኰና፡ መሃርቲ ሰናይ ክዀና፡4-5ነተን ናእሽቱ ኣንስቲ ኸኣ፡ እቲ ቓል ኣምላኽ ምእንቲ ኸይጽረፍሲ፡ ንሰብኡተንን ውሉደንን ከፍቅራ፡ ነፍሰን ዝቐጽዓ ንጹሃት፡ ቤተን ዝኣልያ፡ ሕያዎት፡ ንሰብኡተን ዝእዘዛ ክዀና ኸለብምአን ምዓደን።6ነጕባዝውን ከምኡ ለባማት ክዀኑ ምዓዶም።7-8ካብቶም ተቓናቐንቲ ሓደ እኳ ብዛዕባና ዝብሎ ክፉእ ነገር ስኢኑ ምእንቲ ኽሓፍርሲ፡ ብንጹህ ትምህርቲ፡ ብምርዛን፡ መንቅብ ብዘይብሉ ጥዑይ ዘረባ፡ ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ርእሰኻ ኣርኣያ ግበር።9-10ንግዙኣት፡ ነቲ ትምህርቲ እግዚኣብሄር መድሓኒና ምእንቲ ኽስልምዎ፡ ብዅሉ ደኣ ሕያወይቲ እምነት ከርእዩ እምበር፡ መደሃሃቕቲ ኸይኰኑ፡ ንጐይተቶም ዝግዝኡ፡ ዳርጋዳርጋ ዘይመልሱ፡ ብዅሉ ባህ ዘብሉ ክዀኑ፡ ምዓዶም። 11ጸጋ ኣምላኽ ተገሊጹ እዩ እሞ፡ ንዅሉ ሰብውን ምድሓን ኣምጺኡ፡12-13እቲ ብሩኽ ተስፋን ናይቲ ዕዙዝ ኣምላኽናን መድሓኒና የሱስ ክርስቶስን ምግላጽ ክብሪ እናተጸበና፡ ግፍዕን ዓለማዊ ትምኒትን ክሒድና፡ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ብጥንቃቐን ብጽድቅን በምልኾን ክንነብር ይምህረና ኣሎ።14የሱስ ክርስቶስ ካብ ዓመጻ ዘበለ ምእንቲ ሓራ ኸውጽኣና፡ ንርእሱውን ንሰናይ ግብሪ ዝቐንእን ገንዘቡ ዝዀኖን ህዝቢ ምእንቲ ኸንጽህ ኢሉ፡ ነፍሱ በጃና ኣሕለፈ። 15እዚ ብዅሉ ስልጣን ንገርን ምዓድን ግናሕን። ሓደ እኳ ኣይንዓቕካ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ቲቶስ ምዕራፍ 3
1ንሓላቑን ንስልጣናትን ክግዝኡ፡ ንመራሕቶም ክእዘዙ፡ ንሰናይ ግብሪ ዘበለ እተዳለዉ ክዀኑ፡2ንሓደ እኳ ኸይጸርፉ፡ ተባኣስቲ ኸይኰኑ፡ ልኡማት፡ ለውሃት ዘበለ ንዅሉ ሰብ ዘርእዩ ክዀኑ ኣዘክሮም።3ንሕናውን ቀደምሲ ዓያሱ፡ ዘይእዙዛት፡ ግጉያት፡ ንብዙሕ ፍትወት ስጋን ትምኒትን እተገዛእና፡ ብኽፍኣትን ቅንኣትን እንነብር ፍንፉናት፡ ንሓድሕድና እንጻላእ ነበርና።4እቲ ናይ መድሓኒና፡ ናይ ኣምላኽ ሕያውነትን ፍቕሩ ንሰብን ምስ ተገልጸ ግና፡5ንሱ ብምሕረት ብምሕጻብ ሓድሽ ልደትን ብምሕዳስ መንፈስ ቅዱስን እዩ ዘድሓነና እምበር፡ ንሕና ብዝገበርናዮ ግብሪ ጽድቂ ኣይኰነን።6-7ብጸጋኡ ጸዲቕና፡ ብተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት ወረስቲ ምእንቲ ኽንከውንሲ፡ ብመድሓኒና የሱስ ክርስቶስ ገይሩ ንመንፈስ ቅዱስ ኣብ ልዕሌና ኣብዚሑ ኣፍሰሶ።
8እዚ ቓልዚ እሙን እዩ፡ ነቶም ብኣምላኽ ዝኣመኑ፡ ሰናይ ግብሪ ንምግባር ምእንቲ ክቐንኡ፡ በዚ ኣጸቢቕካ ኸተረድኦም እደሊ ኣሎኹ። እዚ ጽቡቕን ንሰብ ዝጠቅምን እዩ።9ናይ ዕሽነት ክርክርን ቍጽሪ ወለዶታትን ብናይ ሕጊ ጫውጫውን ባእስን ግና ዘይጠቅምን ከንቱን እዩ እሞ፡ ኣግልሰሉ።10-11ነቲ ሻረኛ፡ እቲ ኸምዚ ዘመሰለ ጥፉእ ምዃኑ ባዕሉ ንርእሱ ዀኒኑውን ሓጢኣት ምግባሩ ፈሊጥካ፡ ሓደ ሳዕን ካልኣይ ሳዕን ምስ መዓድካዮ፡ ኣርሕቆ።
12ኣብ ኒቆጶሊስ ክኸርም መዲበዮ ኣሎኹ እሞ፡ ኣርጢማስ ወይስ ጥኪቆስ ምስ ለኣኽኩልካ፡ ቀልጢፍካ ናባይ ምጻእ።13ንዜናስ ፈላጥ ሕግን ንኣጵሎስን ገለ ነገር እኳ ኸይጐድሎም ኣጸቢቕካ ኣፋንዎም።14እቶም ናትናውን ብዘይ ፍረ ኸይኰኑ፡ ነቲ ብግዲ ዘድሊ ነገር ሰናይ ግብሪ ኽገብሩ ይምሃሩ።
15ምሳይ ዘለዉ ዅሎም ሰላም ይብሉኻ ኣለዉ። ነቶም ብእምነት ዘፍቅሩና ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ በለልና።
ጸጋ ምስ ኵላትኩም ይኹን። ኣሜን።
መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ፊልሞን
ብ/ኪ ሓ/ኪ
1ጳውሎስ እሱር ክርስቶስ የሱስ፡ ጢሞቴዎስውን ሓውና፡ ናብቲ ፍቁርን መዓይይትናን ፊልሞን፡ 2ናብ ኣጵያ ሓብትናውን ናብቲ ምሳና ዀይኑ ዝዋጋእ ኣርኪጶስ ከኣ፡ ናብታ ኣብ ቤትካ ዘላ ማሕበርውን። 3ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ካብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ይውረድኩም።
4-7ኣታ ሓወየ፡ ልቢ እቶም ቅዱሳን ብኣኻ ስለ ዝቐሰነ፡ በታ ፍቕርኻ ብዙሕ ሓጐስን ህድኣትን ረኺበ እየ እሞ፡ እተን ንጐይታና የሱስን ንዅሎም ቅዱሳንን ዘለዋኻ ፍቕርን እምነትን ምስ ሰማዕኩ፡ ነቲ ብክርስቶስ ኣባኻትኩም ዘሎ ዅሉ ሰናይ ነገር እናፈለጥካ፡ እቲ ሕብረት እምነትካ ምእንቲ ከስልጥ፡ ኣብ ጸሎተይ እናዘከርኩኻ፡ ኵሉ ሳዕ ንኣምላኽይ ኤመስግን ኣሎኹ።
8ስለዚ እቲ ግቡእ ክእዝዘካ ብክርስቶስ የሱስ ብዙሕ ትብዓት ዘሎኒ ክነሰይሲ፡ 9ከምዛ ዘሎኽዋ ኣነ ጳውሎስ፡ ኣረጊት፡ ሕጂውን ናይ የሱስ ክርስቶስ እሱር፡ ምእንቲ ፍቕሪ ኢለ እልምነካ ኣሎኹ። 10ብዛዕባ እቲ ኣብ መቕውሐይ ኰይነ ዝወለድክዎ ወደይ ኦኔስሞስ እልምነካ ኣሎኹ። 11ንሱ ቐደም ኣይጠቐመካን፡ ሕጂ ግና ንኣኻን ንኣይን ይጠቕመና እዩ እሞ፡ ናባኻ መሊሰዮ ኣለኹ። 12ከም ልበይ ጌርካ ተቐበሎ። 13ኣነስ እኳ፡ ኣብዚ መቐውሐይ ስለ ወንጌል ኣብ ክንዳኻ ዀይኑ ምእንቲ ከገልግለኒ፡ ንርእሰይ ከትርፎ ምደለኹ ነይረ። 14ግናኸ እቲ ሰናይ ግብርኻ ብፍታው እምበር፡ ከም ብግዲ ምእንቲ ከይከውን፡ ብዘይ ፍቓድካ ሓንቲ እኳ ኽገብር ኣይፈተኹን። 15እቲ ንሱ ንሽዑ እተፈልየካ ምናልባሽ ንሓዋሩ ምእንቲ ኽትረኽቦ እዩ ዝኸውን። 16ደጊምሲ ኻብ ባርያ ዝበለጸ፡ ምናዳ ንኣይ፡ ክንደይ ግዳ ኣብዚሑ ንኣኻ፡ ብስጋን ብጐይታን ከም ፍቁር ሓው ክትረኽቦ እምበር፡ ከም ባርያ ኣይኰነን። 17እምብኣርሲ ኸም ሓው እትርእየኒ እንተ ዄንካስ፡ ከም ነፍሰይ ጌርካ ተቐበሎ። 18ግናኸ ገለ በዲሉካ ወይስ ተዓድዩካ እንተ ዀይኑ፡ ኣባይ ቍጸሮ። 19ኣነ ጳውሎስ ብኢደይ ጸሓፍክዎ፡ ርእስኻ እኳ ብዓል ዕዳይ ኢኻ ከይብለካ፡ ኣነ እፈድዮ። 20እወ፡ ኣታ ሓወየ፡ ኣነ ካባኻ ብጐይታ እጠቐም፡ ብክርስቶስ ንልበይ ኣቕስነለይ። 21ሓለፋ እዚ ዝብለካ ዘለኹ ከም እትገብር ፈሊጠ፡ ከም እትሰምዓኒውን ኣሚነ እየ እዚ ዝጸሓፍኩልካ። 22ምስናይ እዚውን ብጸሎትኩም ኣነ ክውሃበኩም ተስፋ እገብር ኣሎኹ እሞ፡ ስፍራ ሓዘለይ።
23ኤጳፍራስ፡ ብክርስቶስ የሱስ መተኣስርተይ፡ 24ከምእውን እቶም መዓይይተይ፡ ማርቆስ፡ ኣርስጠርኮስ፡ ዴማስ፡ ሉቃስ ሰላም ይብሉኻ ኣለዉ።
25ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምስ መንፈስኩም ይኹን። ኣሜን።
መልእኽቲ ናብ እብራውያን
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
እብራውያን ምዕራፍ 1
1ኣምላኽ ብዙሕ ሳዕን ብብዙሕ መገድን ቀደም ነቦታትና ብነብያት ገይሩ ምስ ተዛረቦም፡ 2ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ንኣና በቲ ወራስ ኵሉ ዝገበሮ ብእኡውን ዓለም ዝፈጠረ ወዱ ገይሩ ተዛረበና፡ 3ንሱ ናይ ክብሩ ነጸብራቕን ቅርጺ ባህርዩን ከሎ፡ ኵሉውን ብሓይሊ ቓሉ ጸዊሩ ኸሎስ፡ ምንጻህ ሓጢኣትና ምስ ገበረ፡ ኣብ ላዕሊ ኣብ የማን ግርማ ተቐመጠ። 4ካብቶም መላእኽቲ ብዙሕ ዝበልጽ ስም ብዝወረሶ መጠን ክሳዕ ክንድዚ ኻባታቶም በለጸ። 5እስኪ፡ ካብ መላእኽቲኸ ንመኖም እዩ፡ ንስኻ ወደይ ኢኻ፡ ኣነ ሎሚ ወለድኩኻ፡ ከም ብሓድሽ ድማ፡ ኣነ ኣቦ እዀኖ ንሱውን ውሉድ ይዀነኒ፡ ዝበሎ፧ 6ከም ብሓድሽ ድማ ነቲ ቦኽሪ ናብ ዓለም ከእትዎ ኸሎ፥ ኵላቶም መላእኽቲ ኣምላኽ ይስገዱሉ፡ ይብል። 7ብዛዕባ መላእኽቲ ኸኣ፡ መላእኽቱ ንፋሳት፡ ኣገልገልቱውን ሃልሃልታ ሓዊ ዝገብር፡ ይብል። 8ብዛዕባ ወዱ ግና፥ ኣታ ኣምላኸይ፡ ዝፋንካ ንዘለኣለመ ኣለም ይነብር፡ በትሪ መንግስትኻውን በትሪ ቕንዕና እያ፡ 9ጽድቂ ፈቶኻ ዓመጻ ኸኣ ጸላእካ፡ ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ሓለፋ ብጾትካ ብዘይቲ ሓጐስ ቀብኣካ፡ እዩ ዝብል። 10ድማ፡ ጐይታይ፡ ንስኻ ኻብ ቀደም ንምድሪ ሰረትካያ፡ ሰማያትውን ግብሪ ኣእዳውካ እዮም። 11እዚኣቶም ክጠፍኡ እዮም፡ ንስኻ ግና ትነብር፡ ኵሉውን ከም ክዳን ክበሊ እዩ። 12ከም ዓለባ ድማ ክትጥቕልሎ ኢኻ፡ ክልወጥውን እዩ፡ ንስኻ ግና ከም ቀደምካ ኢኻ፡ ዓመታትካውን ኣይክውድኣን እየን፡ ይብል። 13እስኪ፡ ካብ መላእኽቲኸ ንመኖም እዩ፡ ንጸላእትኻ መርገጽ እግርኻ ኽሳዕ ዝገብሮምሲ፡ ኣብ የማነይ ተቐመጥ፡ ዝበሎ፧ 14ኵላቶምዶ ነገልግሎት እቶም ምድሓን ክወርሱ ዘለዎም ዝለኣኹ መናፍስቲ ኣገልግሎት ኣይኰኑን፧
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
እብራውያን ምዕራፍ 2
1ስለዚ ምእንቲ ኸይንጠፍእ፡ ናብቲ ዝሰማዕናዮ ኣዚና ኸነቕልብ ይግብኣና እዩ። 2እቲ ብመላእኽቲ እተነግረ ቓል ካብ ዝጸንዕ፡ ኵሉ በደልን ዘይምእዛዝን ከኣ ቅኑዕ ፍዳኡ ኻብ ዝቕበል፡ 3-4ምስናይዚ ድማ፡ ኣምላኽ ከም ፍቓዱ ብትእምርትን ብተኣምራትን በበይኑ ብዝዀነ ሓይልታትን ብምዕዳል መንፈስ ቅዱስን እናመስከረ፡ ንሱ ኸኣ ብጐይታ ኽንገር ዝጀመረ፡ ካብቶም ዝሰምዕዎ ኸኣ ኣባና ዝጸንዐስ፡ ንሕና ግዳ ኽንድዚ ዝኣክል ምድሓን ዕሽሽ ካብ እንብል፡ ከመይ ጌርና ኽንመልቝ ይከኣለና፧
5ነታ ብዛዕባኣ እንዛረብ ዘሎና እትመጽእ ዓለምሲ ኣብ ትሕቲ መላእኽቲ ኣየግዝኣን። 6ግናኸ ሓደስ እኳ ኣብ ሓደ ስፍራ መስኪሩ ኣሎ፡ ከምዚ ኢሉ፡ ሰብ፡ ንስኻ ኽትዝክሮ፡ እንታይ እዩ፧ ወይስ ወዲ ሰብ፡ ንስኻ ክትኣልዮ፡ እንታይ እዩ፧ 7ካብ መላእኽቲ ቕሩብ ኣንኣስካዮ፡ ኣኽሊል ክብርን ግርማን ከለልካዮ፡ ኣብ ግብሪ ኣእዳውካ ኸኣ ሸምካዮ። 8ንዅሉውን ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩ ኣግዛእካዮ። ንዅሉ ኸግዝኣሉ ኸሎ፡ ንእኡ ዘይግዝኦ ሓንቲ እኳ ኣይሓደገን። ግናኸ ኵሉ ኸም ዝገዝኦ፡ ንሕና ግና ሎሚ ኣይንርእዮን ኢና ዘሎና። 9ነቲ ብምኽንያት ስቅያት ሞቱ ኻብ መላእኽቲ ገለ ቕሩብ እተታሕተ የሱስ ግና፡ ብጸጋ ኣምላኽ ኣብ ክንዲ ዅሉ ሰብ ሞት ምእንቲ ኽጥዕምሲ፡ ኣኽሊል ክብርን ግርማን ተኸሊሉ ንርእዮ ኣሎና። 10እቲ ዅሉ ምእንታኡ ዅሉውን ብእኡ ዝዀነ፡ ንብዙሓት ውሉድ ናብ ክብሪ እናእተዎም፡ ነቲ ራእሲ ምድሓኖም ብስቅያት ክፍጽሞ ተገብኦ። 11-12ማለት፡ እቲ ዝቕድስን እቶም ዝቕደሱን ኵላቶም ካብ ሓደ እዮም። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ፡ ስምካ ነሕዋተይ ክነግሮም፡ ኣብ ማእከል ማሕበርውን ክዝምረልካ እየ፡ ኢሉ ኣሕዋተይ ንምባሎም ኣይሓፍርን እዩ። 13ደጊሙ ኸኣ፡ ኣነ ኣብኡ ኽውከል እየ፡ ከም ብሓድሽውን፡ እነኹ፡ ኣነን እቶም ኣምላኽ ዝሃበኒ ውሉድን፡ ይብል።
14-16እምብኣርሲ ብሓቂ ንዘርኢ ኣብርሃም ኣልዓሎ እምበር፡ ንመላእኽትስ ኣየልዓሎምን እሞ፡ እቶም ውሉድ ብደምን ስጋን ካብ ዝሓብሩስ፡ ብሞቱ ነቲ ሓይሊ ሞት ኣብ ኢዱ ዝሓዘ ምእንቲ ኽስዕር፡ ንሱውን ድያብሎስ እዩ፡ ነቶም ብፍርሃት ሞት ብዘሎ ዘመኖም ብባርነት ተታሒዞም ዝነበሩ ዅላቶም ሓራ ምእንቲ ኸውጽኦም ኢሉ፡ ንሱውን ብእኡ ሓበሮም። 17ስለዚ ነቲ ሓጢኣት ህዝቢ ምእንቲ ኸተዓርቕ፡ ብናይ ኣምላኽ ዘበለ ደንጋጽን እሙንን ሊቀ ኻህናት ምእንቲ ክኸውን ብዅሉ ነቶም ኣሕዋቱ ኽመስሎም ተገብኦ። 18ንሱ ባዕሉ ኽፍተን ከሎ ተሰቅዩ እዩ እሞ፡ ነቶም ዝፍተኑ ኽረድኦም ይከኣሎ እዩ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
እብራውያን ምዕራፍ 3
1-2ስለዚ ኸኣ፡ ኣቱም ካብቲ ሰማያዊ ጽውዓ ግደ ዘሎኩም ቅዱሳን ኣሕዋተይ፡ ከምቲ ሙሴ ድማ ኣብ ኵላ ቤቱ እሙን ዝነበረ፡ ናብቲ ነቲ ዝሸሞ እሙን ዝዀነ የሱስ፡ ናይ ምእማንና ሃዋርያን ሊቀ ኻህናትን ኣቕልቡ። 3ከምቲ እቲ ሰራሕ ቤት ካብታ ቤት ዝበልጽ ክብሪ ዘለዎ፡ ንእኡ ኸኣ ካብ ሙሴ ዝበልጽ ክብሪ ተገቢእዎ ኣሎ። 4ቤት ዘበለትሲ ሰራሒኣ ኣለዋ፡ እቲ ንዅሉ ዘዳለወ ግና ኣምላኽ እዩ። 5ሙሴስ ብዛዕባ እቲ ደሓር ክንገር ዘለዎ ነገር ምስክር ምእንቲ ክኸውን፡ ከም ጊልያ ዀይኑ ኣብ ኵላ ቤቱ እሙን ነበረ፡ 6ክርስቶስ ግና ከም ውሉድ ኣብ ልዕሊ ቤቱ እዩ። ትብዓትናን ትምክሕቲ ተስፋናን ክሳዕ መወዳእታ ኣጽኒዕና እንተ ሓዝናስ፡ ቤቱ ንሕና ኢና።
7ምእንትዚ መንፈስ ቅዱስ ከምዚ ይብል፡ ሎሚ ድምጹ እንተ ሰማዕኩም፡ 8ከምቲ ብነድሪ በታ መዓልቲ ፈተና ኣብ በረኻ ዝገበርኩምዎ፡ ልብኹም ኣይተትርሩ። 9ኣብኡ ኣቦታትኩም እናተዓዘቡ ፈተኑኒ፡ ግብረይ ከኣ ኣርብዓ ዓመት ረኣዩ። 10ስለዚ ነዚ ወለዶ እዚ ዀረኹሉ እሞ፡ ኵሉ ሳዕ ብልቦም ይስሕቱ፡ መገደይ ግና ኣይፈለጥዎን፡ በልኩ። 11ብቝጥዓይ ድማ፡ ናብ ዕረፍተይ ኣይክኣትዉን እዮም፡ ኢለ መሓልኩ።
12-13ኣቱም ኣሕዋተየ፡ ሎሚ ኽብሃል ከሎ፡ ኣብ ጸጽባሕ ንሓድሕድኩም ተማዓዓዱ እምበር፡ ሓደ እኳ ኻባኻትኩም፡ ሓጢኣት እናዓሸዎ ኸይተርር እሞ፡ ምናልባሽ ኣብ ሓደ ኻባኻትኩም ካብ ህያው ኣምላኽ ዘርሕቕ እኩይ ዘይኣምን ልቢ ኸይህሉ፡ ተጠንቀቑ። 14ነታ መጀመርታ እምንቶና ኽሳዕ መወዳእታ ኣጽኒዕና እንተ ሓዝናያስ፡ ተማቐልቲ ክርስቶስ ኴንና ኣሎና። 15ሎሚ ድምጹ እንተ ሰማዕኩም፡ ከምቲ ብነድሪ ልብኹም ኣይተትርሩ፡ እናተባህለ፡ 16ሰሚዖም ዘነደርዎኸ ኣየኖት እዮም፧ እቶም ሙሴ መሪሕዎም ካብ ግብጺ ዝወጹ ዅላቶም ደይኰኑን፧ 17ንመንከ እዩ ኣርብዓ ዓመት ዝዀረየሎም፧ ነቶም ሓጢኣት ዝገበሩ እሞ ሬሳኦም ኣብ በረኻ ዝወደቐ ደይኰነን፧ 18ንንመንከ እዩ ኣብ ዕረፍቱ ኸይኣትዉ ዝመሓለ፧ ነቶም ዘይተኣዘዙ ደይኰነን፧ 19ብሰሪ ዘይምእማን ክኣትዉ ኸም ዘይከኣሉውን፡ ንርኢ ኣሎና።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
እብራውያን ምዕራፍ 4
1እምብኣርሲ ናብ ዕረፍቱ ንምእታው ተስፋ ኻብ ዝተርፈልና፡ ምናልባሽ ሓደ ካባኻትኩም ድሕሪት ተሪፉ ኸይህሉ፡ ንፍራህ። 2ንኣናውን ከምቲ ንኣታቶም ብስራት ተነጊሩልና ኣሎ እሞ፡ እቲ ዝሰምዕዎ ቓል ምስቶም ሰማዕቱ ብእምነት ስለ ዘይሓበረ ግና፡ ኣይጠቐሞምን። 3ግብሩ ኻብ ምስራት ዓለም ተወዲኡ ኽነሱ፡ ከምቲ ብቝጥዓይ፡ ናብ ዕረፍተይ ኣይክኣትዉን እዮም፡ ኢለ ዝመሓልክዎ፡ ከም ዝበለ፡ ንሕና እንእምንሲ ናብ ዕረፍቱ ንኣቱ ኢና። 4ብዛዕባ እታ ሳብዐይቲ መዓልቲ፡ ኣብ ገለ ስፍራ ኸምኡ፡ ኣምላኽ ድማ ካብ ኵሉ እቲ ግብሩ በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ዓረፈ፡ ኢሉ ኣሎ። 5ኣብኡ ኸኣ ደጊሙ፡ ኣብ ዕረፍተይ ኣይክኣትዉን እዮም፡ በለ። 6እምብኣርሲ ገለ ሰባት ዝኣትውዋ ተሪፋ ስለ ዘላ፡ እቶም ቅድም ብስራት እተነግረሎም ድማ ብሰሪ ዘይምእዛዞም ካብ ዘይኣተውዋ፡ 7ቀደም ከኣ፡ ሎሚ ድምጹ እንተ ሰማዕኩም፡ ልብኹም ኣይተትርሩ፡ ከም እተባህለ፡ ድሕሪ ነዊሕ ዘመን ብዳዊት ሎሚ ብምባል ኸም ብሓድሽ ሓንቲ ፍልጥቲ መዓልቲ ይምድብ ኣሎ። 8እያሱ ኣዕሪፍዎም እንተ ዝኸውንሲ፡ ድሕሪኡ ብዛዕባ ኻልእ መዓልቲ ኣይምተዛረበን ነይሩ።
9-10እምብኣርሲ እቲ ኣብ ዕረፍቱ ዝኣተወስ፡ ከምቲ ኣምላኽ ካብ ግብሩ ዝዓረፈ፡ ንሱውን ካብ ግብሩ ዓሪፉ ኣሎ እሞ፡ ንህዝቢ ኣምላኽ ዕረፍቲ ሰንበት ተሪፋትሎም ኣላ። 11ስለዚ ሓደ እኳ ናይቲ ዘይምእዛዝ ኣርኣያ ወሲዱ ኸይወድቕ፡ ናብታ ዕረፍቲ እቲኣ ክንኣቱ ንጋደል። 12ቃል ኣምላኽ ህያውን መስለጥን እዩ እሞ፡ ካብ ክልተ ዝኣፉ ሰይፊ ዝበልሕ እዩ፡ ነፍስን፡ መንፈስን፡ መፈላልዮ ኣካላትን ኣንጕዕን ክሳዕ ዝፈላሊ ዝሰጥም፡ ኣብ ምሕላንን ሓሳብ ልብን ከኣ ዝፈርድ እዩ። 13እቲ ጸብጻብ እንህቦ ኸኣ፡ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ዅሉ ጋህ ዝበለን ቅሉዕን እዩ እምበር፡ ኣብ ቅድሚኡ ዝሕባእ ፍጡር የልቦን።
14-15ደጊም ብዘይ ሓጢኣትሲ፡ ብዅሉ ኸምዚ ኸማና እተፈተነ እዩ እምበር፡ ብድኻምና ኽድንግጸልና ዘይክእል ሊቀ ኻህናት የብልናን እሞ፡ ብሰማያት ዝሓለፈ ዓብዪ ሊቀ ኻህናት፡ የሱስ ወዲ ኣምላኽ ካብ ዝህልወናስ፡ ምእማንና ነጽንዕ። 16ስለዚ ምሕረት ምእንቲ ኽንቕበል፡ ብግዜ ጸበባውን ንረዲኤትና ዝኸውን ጸጋ ኽንረክብ፡ ብትብዓት ናብ ዝፋን ጸጋ ንቕረብ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
እብራውያን ምዕራፍ 5
1ካብ ማእከል ሰብ እተወሰደ ሊቀ ኻህናት ዘበለስ፡ መባእን ሕሩድን ስለ ሓጢኣት ምእንቲ ኽስውእ፡ ብናይ ኣምላኽ ነገር ስለ ሰብ እዩ ዝሽየም፡ 2ንርእሱ ኸኣ ድኻም ስለ ዝጠበቖ፡ ነቶም ደናቝርትን እተጋገዩን ክድንግጸሎም ዝኽእል እዩ፡ 3ስለዚ ድማ ከምቲ ምእንቲ ህዝቢ፡ ከምኡውን ምእንቲ ርእሱ ስለ ሓጢኣት ክስውእ ተገብኦ። 4ከም ኣሮን፡ ብኣምላኽ እተጸውዐ ደኣ እምበር፡ ነዚ ኽብሪ እዚ ሓደ እኳ ባዕሉ ኣይወስዶን እዩ። 5ከምኡውን እቲ፡ ንስኻ ወደይ ኢኻ፡ ኣነ ሎሚ ወለድኩኻ፡ ዝበሎ ኣኽብሮ እምበር፡ ክርስቶስ ባዕሉ ሊቀ ኻህናት ምእንቲ ክኸውን ኢሉ፡ ርእሱ ኣየኽበረን። 6ኣብ ካልእ ስፍራ ድማ፡ ንስኻ ኸም መዓርግ መልከጸዴቅ ንዘልኣለም ካህን ኢኻ፡ ከም ዝብል። 7ንሱ ብዘመን ስጋኡ ኸሎ፡ ብብርቱዕ ኣውያትን ንብዓትን ናብቲ ኻብ ሞት ከድሕኖ ዝከኣሎ፡ ጸሎትን ምህልላን ምስ ኣቕረበን፡ ብዛዕባ ንኣምላኽ ምፍራሁ ምስ ተሰምዐን፡ 8ወዲ እኳ ኽነሱ፡ በቲ እተሰቀዮ ስቅያት ምእዛዝ ተማህረ። 9-10ከም መዓርግ መልከጸዴቅ ብኣምላኽ ሊቀ ካህናት ተሰምዩ፡ ፍጹም ምስ ኰነ ኸኣ፡ ነቶም ዝእዘዝዎ ዘበሉ ኵላቶም ንናይ ዘለኣለም ምድሓኖም ምኽንያት ኰኖም።
11ብዛዕባኡ ብዙሕ ነገር እንብሎ ነይሩናስ፡ ንምስማዕ ድንዙዛት ስለ ዝዀንኩም፡ ትርጉሙ ጭንቂ እዩ። 12ከም ምንዋሕ ዘመኑስ መምህራን ክትኰኑ እኳ ምተገብኣኩም ነይሩ፡ ነቲ ናይ መጀመርታ ትምህርቲ ቘልዑ ናይ ቃል ኣምላኽ ከም ብሓድሽ ክምህሩኹም የድልየኩም ኣሎ እሞ ጸባ ደኣ እምበር፡ ዕጹም ብልዒ ኣየድልየኩምን እዩ። 13ጸባ ዝቕለብ ዘበለ ዅሉ ቘልዓ እዩ እሞ፡ ብናይ ጽድቂ ነገር ፍቱን ኣይኰነን። 14ዕጹም ብልዒ ግና ነቶም ጽቡቕን ክፉእን ንምፍላይ ብምልማድ ንልቦናኦም ዘላምዱ ብጹሓት እዩ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
እብራውያን ምዕራፍ 6
1-2ስለዚ ናይ ክርስቶስ መጀመርታ ነገሩ ሓዲግና፡ ብንስሓ ኻብ ምዉት ግብሪ፡ ብእምነት ብኣምላኽ፡ ብትምህርቲ ጥምቀት፡ ብምንባር ኣእዳው፡ ብትንሳኤ ምዉታት፡ ብናይ ዘለኣለም ፍርዲውን ከም ብሓድሽ መሰረት ኣይንሰርት እሞ ናብ ፍጻሜ ንሕለፍ። 3ኣምላኽ እንተ ፈቐዶስ፡ ነዚ ድማ ክንገብሮ ኢና። 4ነቶም ሓደ ግዜ ብርሃን ዝበርሃሎም እቲ ሰማያዊ ውህበት ከኣ ዝጠዓሙ፡ ተማቐልቲ መንፈስ ቅዱስውን ዝዀኑ፡ 5እቲ ሰናይ ቃል ኣምላኽን ሓይሊ እታ እትመጽእ ዓለምን ከኣ ዝጠዓሙ፡ 6እንተ ወደቑ፡ ንወዲ ኣምላኽ ከም ብሓድሽ ንርእሶም ስለ ዝሰቕልዎ ብግሁዶውን ዘላግጹሉ ስለ ዝዀኑ፡ ከም ብሓድሽ ንንስሓ ኽሕደሱ ኣይከኣሎምን እዩ። 7እታ ብዙሕ ግዜ ነቲ ኣብኣ ዝወረደ ዝናብ ዝሰተየት ምድሪ ነቶም ብዛዕባኦም ዝሓርስዋ ዝጠቅም ፍረ እንተ ሃበቶም፡ ካብ ኣምላኽ በረኸት ትረክብ እያ። 8እሾዅን ዳንዴርን እንተ ኣብቈለት ግና፡ ንቅፍትን ጥቓ መርገምን እያ፡ መወዳእታኣውን ምንዳድ እዩ።
9-10ኣቱም ፍቁራተይ፡ ኣምላኽ ነቲ ነቶም ቅዱሳን ዘገልገልኩምዎምን እተገልግልዎም ዘሎኹምን ግብርኹም ንስሙውን ዝገበርኩምዎ ፍቕርኹም ዝርስዕ ገፋዒ ኣይኰነን እሞ፡ ብኣኻትኩምሲ፡ ከምዚ እኳ እንተ ተዛረብና፡ ዝሓይሽን ንምድሓን ብዝኸውንን ንእመን ኣሎና። 11-12ነቶም ብእምነትን ብትዕግስትን ነታ ተስፋ ዝወርስዋ ምእንቲ ኽትመስልዎም እምበር፡ ድንዙዛት ከይትዀኑስ፡ ነፍሲ ወከፍኩም ክሳዕ መወዳእታ ንምምላእ ተስፋኡን ንምጽንዓን እዚ ትግሃት እዚ ኸርኢ፡ ንደሊ ኣሎና።
13-14ኣምላኽ ንኣብርሃም ተስፋ ክህቦ ኸሎ፡ ዝምሕለሉ ኻብኡ ዝዓቢ ስለ ዘይተረኽበ፡ ብሓቂ እናባረኽኩ ኽባርኸካ፡ እናብዛሕኩ ኸብዝሓካን እየ፡ ኢሉ ብርእሱ መሓለ። 15ከምኡ ኸኣ ብትዕግስቲ ተጸበየ ነታ ተስፋ ረኸባ። 16ሰባት በቲ ኻብኦም ዝዓቢ እዮም ዝምሕሉ እሞ፡ እቲ ማሕላ ኸኣ መጽንዒ ስለ ዝዀነ፡ ንዅሉ ምጕቶም ይውድኣሎም እዩ። 17ስለዚ ኸኣ ኣምላኽ፡ እቲ ምኽሩ ኸም ዘይልወጥ ነቶም ወረስቲ ተስፋ ኣዝዮ ኸርእዮም ምስ ደለየ፡ ብማሕላ ኣብ መንጎ ኣተወ፡ 18በተን ኣምላኽ ክሕስወለን ዘይከኣል ክልተ ዘይልወጣ ነገር ጌርና፡ ንሕና ነታ ኣብ ቅድሜና ዘላ ተስፋ ንምሓዝ ሃዲምና ዝወጻእና፡ ብርቱዕ ምጽንናዕ ክንረክብ ኢና። 19-20ንሳ ድማ ከም መልህቅ ነፍሲ፡ ድልድልትን ጽንዕትን እያ እሞ፡ ናብቲ የሱስ ከም መዓርግ መልከጸዴቅ ንዘለኣለም ሊቀ ኻህናት ኰይኑ ኸም መራሒ ምእንታና ዝኣተዎ ውሽጢ እቲ መጋረጃ እተእትወና ተስፋ ኣላትና።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
እብራውያን ምዕራፍ 7
1እዚ መልከጸዴቅሲ፡ ንጉስ ሳሌም፡ ካህን ልዑል ኣምላኽ፡ ንኣብርሃም፡ ነቶም ነገስታት ስዒሩ ኽምለስ ከሎ፡ እተቐበሎ እሞ ዝባረኾ፡ 2ኣብርሃም ድማ ካብ ኵሉ ዕሽር ዝመቐሎ፡ ቀዳማይ ትርጕም ስሙ፡ ንጉስ ጽድቂ፡ ደሓር ከኣ፡ ንጉስ ሳሌም፡ ማለት ንጉስ ሰላም እዩ። 3ብዘይ ኣቦ፡ ብዘይ ኣደ፡ ብዘይ ቍጽሪ ወለዶ፡ መጀመርታ መዓልትታት ወይስ መወዳእታ ህይወት ዘይብሉ፡ ግናኸ ንወዲ ኣምላኽ ተመሲሉ ንሓዋሩ ካህን ኰይኑ ይነብር ኣሎ።
4ኣብርሃም፡ እቲ ርእሲ ኣቦታት፡ ካብቲ ማል ዘመተ በብሉጹስ ዕሽር ዝሃቦ፡ ንሱ ኽንደይ ዓብዪ ምዃኑ፡ እስኪ ርኣዩ። 5ካብ ደቂ ሌዊ ድማ እቶም ክህነት ዝቕበሉ፡ ካብቲ ህዝቢ፡ ማለት ካብ ሕቘ ኣብርሃም እኳ ዝወጹ ኣሕዋቶም ክነሶምሲ፡ ዕሽር ክወስዱ ብሕጊ ትእዛዝ ኣለዎም። 6እዚ ግና ካብ ዘይወለዶኦም ክነሱስ፡ ካብ ኣብርሃም ዕሽር ወሰደ፡ ነቲ ተስፋ ረኺቡ ዘሎውን መረቖ። 7ብዘይ ገለ ውልውል ድማ እቲ ዝንእስ በቲ ዝዓብዮ ይምረቕ እዩ። 8ኣብዝስ መወትቲ ሰብ ዕሽር ይወስዱ፡ ኣብቲ ግና እቲ ህያው ምዃኑ እተመስከረሉ እዩ ዕሽር ዝወስድ። 9እዚ ምባለይ ከኣ ከምዚ እዩ፡ ሌዊ፡ እቲ ተቐባል ዕሽር እኳ፡ ብኣብርሃም ገይሩ ዕሽር ሃበ፡ 10ማለት፡ መልከጸዴቅ ንኣብርሃም ክራኸቦ ኸሎ፡ ሌዊ ገና ኣብ ሕቘ ኣቦኡ እዩ ዝነበረ።
11እምብኣርስከ ብቤተ ኽህነት ሌዋውያን ፍጻሜ እንተ ዝኸውንሲ፡— እቲ ህዝቢ ብእኡ ሕጊ ተሓጊጉሉ ነይሩ እዩ እሞ፡— ከም መዓርግ ኣሮን ዘይብሃል ካልእ ካህን ከም መዓርግ መልከጸዴቅ ዝዀነ ኽትንስእ ደኣ ንምንታይ መድለየ ነይሩ፧ 12ማለት ክህነት ካብ ዝልወጥ፡ ምልዋጥ ሕጊውን ብግዲ ክኸውን እዩ። 13እቲ ብዛዕባ እዚ እተባህለሉ ኻብ ካልእ ዓሌት እዩ፡ ካብቲ ዓሌት እቲ ሓደ እኳ ኣብ መሰወኢ ዘገልገለ የልቦን። 14ጐይታናስ ካብ ይሁዳ፡ ሙሴ ብናይ ዓሌት ካህናት ሓንቲ እኳ ዘይተዛረበሉ ዓሌት ከም ዝወጸ፡ ፍሉጥ እዩ። 15ሕጂ ኸኣ ዝበለጸ ግሉጽ እዩ፡ ብተምሳል መልከጸዴቅ ካልእ ካህን ካብ ዝትንስእሲ፡ 16-17ንስኻ ኸም መዓርግ መልከጸዴቅ ንዘለኣለም ካህን ኢኻ፡ ኢሉ ተመስኪሩሉ እዩ እሞ፡ ብዘይሓልፍ ሓይሊ ህይወት እምበር፡ ከም ሕጊ ስጋዊ ትእዛዝሲ ኻህን ኣይኰነን።
18እቲ ዝሓለፈ ትእዛዝ ድኹምን ዘይጠቅምን ስለ ዝዀነ እዩ እተሳዕረ፡— 19ሕጊ ንሓደ እኳ ኣብ ፍጻሜ ኣየብጽሖን፡— ግናኸ ናብ ኣምላኽ እንቐርበላ፡ እትሓይሽ ተስፋ ኣተወት። 20-21እዚ ግና በቲ፡ እግዚኣብሄር፡ ንስኻ ኸም መዓርግ መልከጸዴቅ ንዘለኣለም ካህን ኢኻ፡ ኢሉ መሓለ ኣይጠዓስን ከኣ እዩ፡ እተባህለሉ ማሕላ እዩ። እዚኣ ድማ ብዘይ ማሕላ ኸም ዘይኰነት፡— እቲኣቶምሲ ብዘይ ማሕላ ኻህናት ኰኑ፡— 22ከምኡ ድማ የሱስ መድሕን ዝሓሸ ኪዳን ኰነ። 23እቲኣቶምሲ ኸይነብሩ ብሞት ስለ እተኸልከሉ፡ ብዙሓት ካህናት ነበሩ። 24እዚ ግና ንዘለኣለም ዝነብር ስለ ዝዀነስ፡ ዘይሓልፍ ክህነት አለዎ። 25ስለዚ ድማ ነቶም ብእኡ ኣቢሎም ናብ ኣምላኽ ዝመጹ፡ ኵሉ ግዜ ምእንታኦም ክልምን ዝነብር ስለ ዝዀነ፡ ፈጺሙ ኸድሕኖም ይኽእል እዩ።
26ከምዚ ዘመሰለ ኽፍኣትን ርኽሰትን ዘይብሉ፡ ካብ ሓጥኣን እተፈልየ፡ ካብ ሰማያት ከኣ ልዕል ዝበለ ቅዱስ ሊቀ ኻህናት ኣድለየና። 27ንሱ ከምቶም ካልኦት ሊቃውንቲ ኻህናት ቅድም ምእንቲ ሓጢኣት ርእሱ፡ ደሓር ድማ ምእንቲ ሓጢኣት ህዝቢ ኣብ ጸጽባሕ መስዋእቲ ከቕርብ ዘየድልዮ እዩ እሞ፡ ርእሱ ንመስዋእቲ ምስ ወፈየ፡ ሓንሳእ ንሓዋሩ ገበሮ። 28ሕግስ ድኻም ንዘለዎም ሰባት እዩ ሊቃውንቲ ኻህናት ክዀኑ ዝሸሞም፡ እቲ ድሕሪ ሕጊ ዝመጸ ቓል ማሕላ ግና ንዘለኣለም ፍጹም ዝዀነ ወዲ እዩ ዝሸይም።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
እብራውያን ምዕራፍ 8
1-2ሕጂ ድማ ነዚ እንብሎ ዘሎና ኣውራ ነገሩ እዚ እዩ፡ ንሕናስ ኣብ ሰማያት ኣብ የማን ዝፋን ግርማ እተቐመጠ፡ ናይቲ፡ ጐይታ ደኣ እምበር፡ ሰብ ዘይተኸሎ መቕደስን ድንኳን ሓቅን ኣገልጋሊ፡ ከምዚ ዘመሰለ ሊቀ ኻህናት ኣሎና። 3ሊቀ ኻህናት ዘበለ መባእን መስዋእትን ከቕርብ ይሽየም እዩ እሞ፡ ስለዚ ነዚውን ገለ ዘቕርቦ ኽህልዎ ብግዲ እዩ። 4እምብኣርከ ኣብ ምድሪ እንተ ዝኸውንሲ፡ ከምቲ ሕጊ ገይሮም መባእ ዘቕርቡ ስለ ዘለዉ፡ ንሱ ከቶ ኻህን ኣይምዀነን ነይሩ። 5እቲኣቶም ናይታ ሰማያዊት ምስልን ጽላሎትን ዘገልግሉ፡ ንሙሴ፡ እቲ ድንኳን ክገብር ክደሊ ኸሎ፡ ብራእይ ከም እተባህለሉስ፡ ኵሉ ኸምታ ኣብ ከረን ዝርኣኻያ ምስሊ ኽትገብር ኣስተብህል፡ በሎ። 6ሕጂ ግና ንሱ ማእከላይ ኣብ እትሓይሽ ተስፋ እተሰረተ፡ ዝበልጽ ኪዳንውን ከም ዝዀነ፡ ክሳዕ ክንድዚ ዝበለጸ ኣገልግሎት ረኸበ። 7ነቲ ቐዳማይ ኪዳን መንቀፊ እንተ ዘይህልዎ፡ ነቲ ኻልኣይሲ ስፍራ ኣይምተደልዮን ነይሩ። 8ስለዚ ኸኣ እናነቐፎም ከምዚ ይብል፡ እንሆ፡ ምስ ቤት እስራኤልን ምስ ቤት ይሁዳን ሓድሽ ኪዳን ዝኣትወለን መዓልትታት ኪመጻ እየን፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ 9ከምታ ብኢዶም ሒዘ ኻብ ምድሪ ግብጺ ኸውጽኦም ከሎኹ መዓልቲ ምስ ኣቦታቶም ዝኣቶኽዎ ኪዳን ኣይኰነን። ንሳቶም ብኺዳነይ ኣይጸንዑን እሞ፡ ኣነውን ሸለል በልክዎም፡ ይብል እግዚኣብሄር። 10ድሕሪ እተን መዓልትታት እቲኣተን ምስ ቤት እስራኤል ዝኣትዎ ኪዳን እዚ እዩ፡ ንሕጋጋተይ ኣብ ሓሳቦም ከእትዎ ኣብ ልቦምውን ክጽሕፎ እየ፡ ኣነ ኣምላኽ ክዀኖም እየ፡ ንሳቶምውን ህዝቢ ክዀኑኒ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር። 11-12ዓመጻኦም ክምሕር እየ እሞ፡ ንሓጢኣቶምውን ድሕርዚ ኣይክዝክሮን እየ፡ ካብ ንእሽቶኦም ክሳዕ ዓብዪኦም ዝፈልጡኒ ስለ ዝዀኑ፡ ነፍሲ ወከፍ ንወዲ ዓዱን ነፍሲ ወከፍ ንሓውን፡ ንእዝጊ ፍለጦ፡ ኢሉ ኣይክምህሮን እዩ። 13ሓድሽ ኪዳን ብምባሉ ነቲ ቐዳማይ ኣእረጎ። እቲ ዝኣረገን ዝበለየን ግና ንጥፍኣት ቀረባ እዩ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
እብራውያን ምዕራፍ 9
1ደጊም ነቲ ቐዳማይ ኪዳን ድማ ነገልግሎት እግዚኣብሄርን ንምድራዊ መቕደስን ሕጋጋት ነይርዎ። 2ድንኳን ተተኺሉ ነበረ እሞ፡ ኣብታ ቕድም እትርከብ፡ ቅድስቲ፡ እትብሃል ክፍሊ ቐንዴል ሰደቓን እንጌራታት ምርኣይን ነበራ። 3ብኽንየው እቲ ኻልኣይ መጋረጃ ግና ኣብቲ ድንኳን፡ ቅድስተ ቅዱሳን፡ እትብሃል ነበረት፡ 4ኣብኣ ጽንሃህ ወርቅን ብዅሉ ወገኑ ብወርቂ እተለበጠ ታቦት ኪዳንን ነበረ እሞ፡ ንሱ ነተን ማና ዝሓዘት ፍዮ ወርቅን ዝጠጥዐት ዘንጊ ኣሮንን ጽላት ኪዳንን ዝሕዝ ነበረ፡ 5ኣብ ልዕሊኡ ድማ ነቲ መንበር ጸጋ ዘጽልሉ ናይ ክብሪ ኪሩቤል ነበሩ። ብዛዕባዚ ሕጂ በብናቱ ኽንዛረበሉ ዘይኰነልና እዩ።
6እዚ ኸምዚ ዀይኑ ምስ ተዳለወ፡ እቶም ካህናት ኵሉ ሳዕ ኣብቲ ናይ ቅድሚት ድንኳን፡ ኣገልግሎቶም ከብጽሑ፡ ይኣትዉ እዮም። 7ኣብቲ ኻልኣይ ግና እቲ ሊቀ ኻህናት በይኑ ሓንሳእ ኣብ ዓመት ይኣቱ፡ ግናኸ ብዘይ እቲ ምእንቲ ርእሱን ምእንቲ ስሕተት ህዝብን ዘቕርቦ ደም ኣይኣቱን እዩ። 8እቲ ቐዳማይ ድንኳን ገና ቘይሙ ኸሎ፡ እቲ ናብታ መቕደስ ዘእቱ መገዲ ገና ኸም ዘይተገልጸ፡ መንፈስ ቅዱስ በዚ የርኢ ኣሎ። 9ንሱ ነዚ ሎሚ ዘሎ ዘመን ምሳሌ እዩ፡ ከምኡ ገይሮም ነቲ ኣገልጋሊ መቕደስ ብሕሊናኡ ፍጹም ክገብሮ ዘይከኣሎ መባእን መስዋእትን የቕርቡ ኣለዉ። 10እዚ ምስ መባልዕን መስተታትን በብዓይነቱ ምሕጻብን፡ እቲ ዘመን ምቕናዕ ክሳዕ ዝበጽሕ፡ ስጋዊ ስርዓት ጥራይ እዩ።
11ክርስቶስ ግና ናይቲ ዝመጽእ ሰናይ ነገር ሊቀ ካህናት ኰይኑ ምስ መጸ፡ በቲ ብሉጽን ፍጹምን ብኢድ ዘይተገብረ፡ ማለት ካብዚ ፍጥረት እዚ ዘይኰነ ድንኳን፡ 12ብደም ድቤላታትን ምራኹትን ዘይኰነስ፡ ብደም ርእሱ ናይ ዘለኣለም ምድሓን ረኺቡ ሓደ ግዜ ናብቲ መቕደስ ኣተወ። 13ስለዚ ደም ድቤላታትን ኣራውሕን ሓመዅስቲ ኣርሕን ኣብቶም ዝረኸሱ ተነጺጉ ንምጽራይ ስጋ ዝቕደስ ካብ ኰነስ፡ 14ደም ክርስቶስ ብናይ ዘለኣለም መንፈስ ገይሩ ርእሱ ብዘይ ጽያፍ ንኣምላኽ ዘቕረበ ግዳ፡ ንስኻትኩም ንህያው ኣምላኽ ከተገልግሉ ኽንደይ ኣዝዩ ንሕሊናኹም ካብ ምዉት ግብሪ ዘየንጽሆ።
15በዚ ምኽንያት እዚ እዩ ካብቲ ኣብ ቀዳማይ ኪዳን እተገብረ ኣበሳ ንምድሓን ዝኸውን ሞት ምስ ኰነ፡ እቶም ጽዉዓት ነታ ተስፋ ናይ ዘለኣለም ርስቲ ምእንቲ ክረኽቡ ኢሉ፡ ንሱ ማእከላይ ሓድሽ ኪዳን ዝዀነ። 16ለበዋ ኣብ ዘለዎስ ሞት እቲ እተላበወ ክኸውን ናይ ግዲ እዩ እሞ፡ 17ለበዋስ ድሕሪ ሞት እዩ ዝጸንዕ እምበር፡ እቲ እተላበወ ብህይወቱ ኽሳዕ ዘሎ፡ ገለ እኳ ዘስልጥ የብሉን። 18ስለዚ እቲ ቐዳማይ ኪዳን እኳ ብዘይ ደም ኣይተቐደሰን። 19-20ማለት፡ ሙሴ ኸምቲ ኣብ ሕጊ ዘሎ ገይሩ እቲ ትእዛዛት ዘበለ ንዅሉ ህዝቢ ምስ ነገሮ፡ ደም ምራኹትን ድቤላታትን ምስ ማይን ቀይሕ ጸጕርን ስምዕዛን ወሲዱ፡ ኣምላኽ ንኣኻትኩም ዝኣዘዞ ደም ኪዳን እዚ እዩ፡ ኢሉ፡ ኣብቲ መጽሓፍን ኣብ ኵሉ እቲ ህዝብን ነጸጎ። 21ከምኡ ድማ ነቲ ድንኳንን ንዅሉ እቲ ናይ ምግልጋል ኣቓሑን ደም ነጸገሉ። 22ከምቲ ሕጊ ኣስታት ኵሉ ብደም እዩ ዝጸሪ፡ ብዘይ ምፍሳስ ደምውን ይቕሬታ ኣይከውንን እዩ።
23እምበኣርሲ ምስሊ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ነገር በዚ ኽጸሪ፡ እቲ ሰማያዊ ንርእሱ ግና ካብዚ ብዝሓሸ መስዋእቲ ኽጸሪ ናይ ግዲ ነበረ። 24ክርስቶስ ሕጂ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክረኣየልና ናብኡ ናብታ ሰማይ ኣተወ እምበር፡ ኣብቲ ምስሊ ሓቂ፡ ኣብታ ብኢድ እተገብረት መቕደስ ኣይኰነን ዝኣተወ። 25ከምቲ ሊቀ ኻህናት በብዓመት ብደም ካልእ ናብ መቕደስ ዝኣቱ፡ ንሱ ብዙሕ ሳዕ ርእሱ ኽስውእ ኣይኣተወን። 26ብዘይ እዝስ ካብ ምስራት ዓለም ጀሚሩ ብዙሕ ሳዕ መከራ ኽጸግብ ምተገብኦ ነይሩ፡ ሕጂ ግና ብመስዋእቲ ርእሱ ንሓጢኣት ክስዕር ኢሉ እዩ ኣብ መወዳእታ ዘመናት ሓደ ግዜ እተገልጸ። 27ከምቲ ንሰብ ሓንሳእ ሙማት ብድሕሪኡውን ፍርዲ እተሰርዖ፡ 28ከምኡ ኸኣ እቲ ንሓጢኣት ብዙሓት ከርሕቕ ኢሉ ሓንሳእ እተሰውአ ክርስቶስ ንምድሓን እቶም ዝጽበይዎ ኻልኣይ ግዜ ብዘይ ሓጢኣት ክግለጽ እዩ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
እብራውያን ምዕራፍ 10
1ሕጊ፡ ጽላሎት እቲ ዝመጽእ ሰናይ ነገር ከለዎ፡ መልክዕ እቲ ቑም ነገሩ ዘይኰነስ፡ በቲ በብዓመቱ ኵሉ ሳዕ ዝስውእዎ መስዋእትታት ነቶም ዘቕርብዎ ከቶ ፍጹማት ክገብሮም ኣይከኣሎን እዩ። 2-3ግናኸ ኣብ ዓዓመት እዩ ብእኡ መዘከርታ ሓጢኣት ዝኸውን፡ ከምዚ እንተ ዘይከውንሲ፡ እቶም መስዋእቲ ዘቕርቡ ሓንሳእ ካብ ዝነጽሁ፡ ኣብ ሕሊናኦምውን ደጊም ሓጢኣት ካብ ዘይህልዎም፡ ካብ ምስዋእዶ ኣይምዓረፉን ነይሮም፧ 4ማለት፡ ደም ኣብዑርን ድቤላታትን ሓጢኣት ከርሕቕ ኣይከኣሎን እዩ። 5ስለዚ ናብ ዓለም ክኣቱ ኸሎ፡ ይብል፡ ስጋ ኣዳሎኻለይ እምበር፡ መስዋእቲ ሕሩድን መስዋእቲ ብልዕን ኣይደለኻን፡ 6ብዝሓርር መስዋእትን በቲ ስለ ሓጢኣት ዝስዋእን ባህ ኣይበለካን። 7ሽዑ ኸኣ ኣነ፡ እንሆ፡ ኣብቲ መጽሓፍ ብዛዕባይ ጽሑፍ እዩ፡ ዎ ኣምላኽ፡ ፍቓድካ ኽገብር ኢለ እመጽእ ኣሎኹ፡ በልኩ። 8ኣብ ላዕሊ፡ ከምቲ ሕጊ ገይሮም ዘቕርብዎ መስዋእቲ ሕሩድን መስዋእቲ ብልዕን ዝሓርር መስዋእትን ስለ ሓጢኣት ዝስዋእ ኣይደለኻን ብእኡውን ባህ ኣይበለካን፡ ኢሉ፡ 9ደሓር ከኣ፡ እንሆ፡ ፍቓድካ ኽገብር ኢለ እመጽእ ኣሎኹ፡ በለ። ምእንቲ ነቲ ዳሕራይ ከጽንዕ ኢሉ፡ ነቲ ቐዳማይ ሰዓሮ። 10በዚ ፍቓድ እዚ በቲ ሓንሳእ ንሓዋሩ ዝኣክል እተሰውአ መስዋእቲ ስጋ የሱስ ክርስቶስ ተቐዲስና ኣሎና። 11ካህን ዘበለ ዅሉ ኣብ ጸጽባሕ እናገልገለ ይቐውም እዩ እሞ ነቲ ሓጢኣት ከርሕቅ ከቶ ዘይከኣሎ መስዋእቲ ብዙሕ ሳዕ የቕርቦ ኣሎ። 12-14ክርስቶስ ግና ነቶም ዝቕደሱ ብሓንቲ መስዋእቲ ንሓዋሩ ፈጸሞም እሞ፡ ንሱ ንሓዋሩ እትኸውን ሓንቲ መስዋእቲ ስለ ሓጢኣት ምስ ኣቕረበ፡ እቶም ጸላእቱ መርገጽ እግሩ ኽሳዕ ዝዀኑ እናተጸበየ፡ ኣብ የማን ኣምላኽ ተቐመጠ። 15መንፈስ ቅዱስ ድማ ይምስክረልና ኣሎ፡ 16ድሕሪ እተን መዓልትታት እቲኣተን ምሳታቶም ዝኣተዎ ኪዳን እዚ እዩ፡ ይብል እግዝኣብሄር፡ ንሕጋጋተይ ኣብ ልቦም ክህቦም፡ ኣብ ሓሳቦምውን ክጽሕፎ እየ፡ ምስ በለ፡ 17ደጊም ሓጢኣቶምን ዓመጻኦምን ከቶ ኣይክዝክርን እዩ፡ ይብል። 18እምስኣርሲ ኣብቲ ናይ እዚ ይቕሬታ እዚ ዘለዎስ፡ ደጊም መስዋእቲ ስለ ሓጢኣት ኣየድልን እዩ። 19-20ስለዚ፡ ኣሕዋተየ፡ በቲ መጋረጃ፡ ማለት ብስጋኡ ዝቐደሰልና ሓድሽን ህያውን መገዲ ብደም የሱስ ናብ መቕደስ ንምእታው ትብዓት ካብ ዝህልወና፡ 21ኣብ ቤት ኣምላኽውን ዓብዪ ኻህን ካብ ዝህልወናስ፡ 22ልብና ኻብ ክፉእ ሕሊና ተነጺጉ፡ ስጋናውን ብጹሩይ ማይ ተሓጺቡ፡ ምሉእ ብተረዳእናዮ እምነት ብቕኑዕ ልቢ ንቕረብ። 23እቲ ተስፋ ዝሃበና እሙን እዩ እሞ፡ ነታ እሙንቶ ተስፋና ብዘይ ምንቕናቕ ነጽንዓያ። 24ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ንምንቕቓሕ ኣብ ንሓድሕድና ነስተብህል። 25እዚ ኸኣ እታ መዓልቲ እቲኣ ትቐርብ ከም ዘላ፡ ኣጸቢቕኩም ትርእዩ ኣሎኹም እሞ፡ ንሓድሕድና ንመዓዓድ እምበር፡ ገሊኣቶም ልማድ ከም ዝገብርዎ፡ ኣኼባና ኣይንሕደግ። 26-27ስለዚ ኸኣ ፍልጠት ሓቂ ምስ ረኸብና፡ ፈቲና ሓጢኣት እንተ ገበርና፡ ዘሰክሕ ምጽባይ ፍርድን ነቶም ተጻረርቲ እትበልዕ ቅንኢ ሓውን ክኸውን እዩ እምበር፡ ደጊምሲ ስለ ሓጢኣት ዝስዋእ መስዋእቲ የልቦን። 28እቲ ንሕጊ ሙሴ ዘፍረሰ ብቓል ክልተ ወይስ ሰለስተ ምስክር እዩ ብዘይ ድንጋጽ ዝመውት። 29ንወዲ ኣምላኽ ዝረገጸ፡ ነቲ እተቐደሰሉ ደም ኪዳን ከኣ ዘርከሰ፡ ንመንፈስ ጸጋውን ዝጸረፈ ግዳ ኽንደይ ዝገደደ ቕጽዓት ዘይግብኦ ይመስለኩም 30ንሕናስ ነቲ፡ ምፍዳይ ሕነ ናተይ እዩ፡ ኣነ ሕነ ኽፈዲ እየ፡ ዝበለ፡ ደጊሙ ኸኣ፡ እግዚኣብሄር ንህዝቡ ኽፈርዶ እዩ፡ ዝበለ፡ ንፈልጦ ኢና። 31ኣብ ኢድ ህያው ኣምላኽ ምውዳቕ ዘስክሕ እዩ። 32ነተን ብዙሕ ገድልን ስቓይን ተዓጊስኩም፡ ብርሃን እተቐበልኩምለን ቀዳሞት መዓልትታት ዘክርወን፡ 33ብሓደ ወገን ብጸርፍን ብጸበባን መላገጺ ዄንኩም፡ ብሓደ ወገን ድማ ምስቶም ከምዚ ዘመሰለ ዝበጽሖም ሰባት ተማቐልቲ ዄንኩም፡ 34ዝሓይሽን ዝነብርን ገንዘብ ኣብ ሰማይ ከም ዘሎኩም ፈሊጥኩም፡ ምስቶም እሱራት እንተ ዀነ፡ መከራ ጸገብኩም፡ ምግባት ገንዘብኩም ድማ እንተ ዀነ፡ ብሓጐስ ተዓገስኩም። 35እምብኣርሲ ነቲ ብዙሕ ዓስቢ ዘለዎ ትብዓትኩም ኣይትደርብይዎ። 36ፍቓድ ኣምላኽ እናገበርኩም፡ ነታ ተስፋ ምእንቲ ኽትረኽብዋስ፡ ትዕግስቲ የድልየኩም እዩ። 37ማለት፡ ገና ኣዝዩ ቕሩብ ዘመን እዩ፡ እቲ ዝመጽእ ክመጽእ እዩ ኣይክድንጕን ከኣ እዩ። 38ጻድቕ ግና ብእምነት እዩ ዝነብር፡ ንድሕሪት እንተ ተመልሰ ድማ፡ ነፍሰይ ብእኡ ባህ ኣይብላን እዩ። 39ንሕና ግና ምስቶም ምድሓን ነፍሶም ክረኽቡ ዝኣምኑ እምበር፡ ምስቶም ናብ ጥፍኣት ንድሕሪት ዝምለሱ ኣይኰንናን።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
እብራውያን ምዕራፍ 11
1እምነት ግና ነቲ ተስፋ ዝግበሮ ነገር ርግጽ ምግባር፡ ናይቲ ዘይርአ ነገር ምርዳእ እያ። 2ብእኣ እዩ ነቶም ዓበይቲ እተመስከረሎም። 3ዓለም ብቓል ኣምላኽ ከም እተፈጥረት፡ ከምኡውን እቲ ዝረአ ኻብ ዘይርአ ኸም ዝዀነ፡ ብእምነት ነስተውዕሎ ኣሎና።
4ኣቤል ካብ መስዋእቲ ቃየል ዝበልጽ መስዋእቲ ንኣምላኽ ብእምነት ኣቕረበ። ኣምላኽ ብናይ መባኡ ኽምስክረሉ ኸሎ፡ ጻድቕ ምዃኑ ብእኣ ተመስከረሉ፡ ብምዉቱ ኸኣ ገና ብእኣ ገይሩ ይዛረብ ኣሎ። 5ሄኖክ፡ ሞት ምእንቲ ኸይርኢ፡ ብእምነት ገዓዘ፡ ቅድሚ ምግዓዙ ንኣምላኽ ከም ዘስመረ፡ ተመስኪሩሉ ነበረ እሞ፡ ኣምላኽ ስለ ዘግዓዞ፡ ኣይተረኽበን። 6ብዘይ እምነት ግና ንኣምላኽ ከስምርዎ ኣይከኣልን እዩ። እቲ ናብ ኣምላኽ ክመጽእ ዝደሊ፡ ንሱ ኸም ዘሎን ነቶም ዝደልይዎ ዓስቢ ኸም ዝህቦምን፡ ክኣምን ይግብኦ እዩ።
7ኖህ ብዛዕባ እቲ ገና ዘይተራእየ ነገር ራእይ ምስ ረኣየ፡ ብፍርሃት ኣምላኽ ተደሪኹ ብእምነት እዩ ንምድሓን ቤቱ እትኸውን መርከብ ዘዳለወ። ብእኣ ገይሩ ንዓለም ኰነና፡ ነቲ ብእምነት ዝርከብ ጽድቂ ኸኣ ወራሲ ዀነ። 8ኣብርሃም ናብቲ ንርስቲ ክቕበሎ እተኣመመሉ ስፍራ ክወጽእ ምስ ተጸውዐ፡ ብእምነት ተኣዘዘ፡ ናበይ ከም ዝኸይድ ከይፈለጠውን ወጸ። 9-10ነታ ኣምላኽ ዝሃናጺኣን ዝሰራሒኣን፡ መሰረት ዘለዋ ኸተማ ይጽበ ስለ ዝነበረ፡ ብእምነት ኣብታ ምድሪ ተስፋ ኸም ኣብ ምድሪ ጓና ዀይኑ ተቐመጠ እሞ ምስቶም ነዛ ተስፋ እዚኣ መዋርስቱ ይስሃቅን ያእቆብን ኣብ ድንኳን ይነብር ነበረ። 11ሳራ እኳ ግዜኣ ምስ ሓለፈ፡ ነቲ ተስፋ ዝሃባ እሙን ገይራ ስለ ዝረኣየቶ፡ ዘርኢ ንምትካል ብእምነት ሓይሊ ረኸበት። 12ስለዚ ድማ ካብ ሓደ፡ ንሱውን ከም ምዉት ክነሱስ፡ ከም ከዋኽብቲ ሰማይን ከምቲ ዘይቝጸር ኣብ ገምገም ባሕሪ ዘሎ ሑጻን ዝምብዛሖም ተወልዱ።
13እዚኦም ኵላቶም ነተን ተስፋታት ኣይረኸብወንን፡ ግናኸ ካብ ርሑቕ ርእዮም ተሳለምወን እሞ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ኣጋይሽን ስደተኛታትን ምዃኖም እናተኣመኑ፡ ብእምነት ሞቱ። 14እቶም ከምዚ ዝበሉ ኸኣ ሃገሮም ከም ዝደልዩ፡ የርእዩ ኣለዉ። 15ነታ ዝወጹላ ሃገር ሓሲቦም እንተ ዝዀኑስ፡ ክምለሱ ግዜ ነይርዎም። 16ሕጂ ግና እትሓይሽ፡ ማለት ሰማያዊት፡ ይናፍቑ ኣለዉ፡ ስለዚ ድማ ኣምላኽ፡ ከተማ ኣዳልዩሎም ኣሎ እሞ፡ ኣምላኾም ክብሃል ብኣታቶም ኣይሓፍርን እዩ።
17-18ኣብርሃም ምስ ተፈተነ፡ ብእምነት ንይስሃቅ ሰውኦ። እቲ ተስፋ እተቐበለ ነቲ፡ ብይስሃቅ ዘርኢ ኽጽወዓልካ እዩ፡ ተብሂሉሉ ዝነበረ ሓደ ወዱ ወፈዮ። 19ኣምላኽ ካብ ምዉታት ድማ ከተንስኦ ኸም ዝከኣሎ ሓሲቡ፡ ካብኡውን ብምሳሌ መሊሱ ረኸቦ። 20ይስሃቅ ብናይቲ ዝመጽእ ነገር ንያእቆብን ንኤሳውን ብእምነት ባረኾም። 21ያእቆብ ክመውት ከሎ፡ ንደቂ ዮሴፍ ንነፍሲ ወከፎም ብእምነት መረቖም፡ ኣብ ኣንፊ በትሩ ተመርኵሱ ኸኣ ሰገደ። 22ዮሴፍ ኣብ ኣጋ ሞቱ ብዛዕባ ምውጻእ ደቂ እስራኤል ብእምነት ኣዘከረ፡ ብዛዕባ ኣዕጽምቱውን ትእዛዝ ሃበ።
23ሙሴ ምስ ተወልደ፡ ወለዱ ጽቡቕ ሕጻን ምዃኑ ርእዮም፡ ብእምነት ሰለስተ ወርሒ ሓብእዎ፡ ኣዋጅ እቲ ንጉስውን ኣይፈርሁን። 24ሙሴ ምስ ዓበየ፡ ወዲ ጓል ፈርኦን ከይብሃል፡ ብእምነት ኣበየ እሞ፡ 25ካብ ንግዜኡ ብሓጢኣት ባህ ዝብሎስ ምስ ህዝቢ ኣምላኽ ደኣ መከራ ክጸግብ ሓረየ፡ 26ናብቲ ዓስቢ ጠመተ እሞ፡ ካብ መዝገብ ግብጽስ ነቲ ጸርፊ ክርስቶስ ኣዝዩ ብዙሕ ሃብቲ ገይሩ ቘጸሮ። 27ነቲ ዘይርአስ ከም ዝርእዮ ዀይኑ ተዓጊሱ ጸንዐ እሞ፡ ነቲ ዅራ ንጉስ ከይፈርሀ፡ ብእምነት ንግብጺ ሓደጋ። 28እቲ ቦዅሪ ዘጥፍእ ዝነበረ ምእንቲ ኸይቀርቦም፡ ብእምነት ፋስጋን ምንጻግ ደምን ገበረ። 29ብእምነት ከም ብንቑጽ ምድሪ ገይሮም ንባሕሪ ኤርትራ ተሳገርዎ፡ ግብጻውያን ግና ከምኡ ኽገብሩ ምስ ፈተኑ፡ ተዋሕጡ። 30ቀጽሪ ያሪኮ ሾብዓተ መዓልቲ ምስ ዞርዎ፡ ብእምነት ወደቐ። 31ረሃብ፡ እታ ኣመንዝራ፡ ነቶም ሰለይቲ ብሰላም ስለ እተቐበለቶም፡ ብእምነት ምስቶም ዘይእዙዛት ኣይጠፍአትን።
32እሞኸ ብዛዕባ እኒ ጊደዎን፡ እኒ ባራቅ፡ እኒ ሳምሶን፡ እኒ ይፍታሄ፡ እኒ ዳዊትን ሳሙኤልን ነብያትን እንታይ ክብል እየ፧ ብዛዕባኦም ከየዘንትወልኩም ግዜ ይሓጽረኒ እዩ። 33ንሳቶም ብእምነት ንመንግስትታት ሰዓሩ፡ ጽድቂ ገበሩ፡ ነቲ ተስፋ እተገብሮ ረኸቡ፡ ኣፍ ኣናብስ ዓጸዉ፡ 34ንሓይሊ ሓዊ ኣጥፍኡ፡ ካብ ስሕለት ኣስያፍ ደሓኑ፡ ካብ ድኻም በርትዑ፡ ኣብ ውግእ ሓየሉ፡ ንሰራዊት ኣህዛብ ኣህደምዎም። 35ኣንስቲ ንምዉታተን ብትንሳኤ ተቐቢለናኦም። ካልኦትውን ተሰቀዩ እሞ፡ ዝሓይሽ ትንሳኤ ምእንቲ ክረኽቡ ኢሎም ምሕረት ኣይደለዩን። 36ገሊኣቶም ድማ ብልግጫን ብመግረፍትን፡ ኣብ ልዕሊ እዚውን ብመቝሕን ማእሰርትን ተፈተኑ። 37ብዳርባ እምኒ ተቐትሉ፡ ተመገዙ፡ ተፈተኑ፡ ተሰይፎም ሞቱ፡ ኣጐዛ ኣባጊዕን ዲኖ ኣጣልን ተኺዲኖም ዞሩ፡ ሰኣኑ፡ ጸበቦም፡ ሓሳረ መከራ ጸገቡ።— 38ዓለም ንኣታቶም ዘይትበቅዕ ኰይናስ፡— ኣብ በረኻታትን ኣብ ኣኽራንን ኣብ በዓትታትን ኣብ ጐዳጕድ ምድርን ኰለል በሉ።
39-40ብጀካና ናብ ፍጻሜ ምእንቲ ኸይበጽሑስ፡ ኣምላኽ ብዛዕባና ዝሓይሽ ስለ ዝሓለየ፡ እዚኦም ኵላቶም፡ ብእምነት ተመስኪሩሎም ዘሎ፡ ነታ ተስፋ ኣይረኸብዋን።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
እብራውያን ምዕራፍ 12
1ምእንትዚ ንሕና ድማ ብኽንድዚ ዝኣክል ደበና ምስክር ተኸቢብና ኸሎና፡ ንዅሉ ዝኸብደናን ነቲ ዝጠብቀናን ሓጢኣትን ነርሕቕ፡ በቲ ኣብ ቅድሜና ተሓንጺጹልና ዘሎ መቀዳደሚ ኸኣ ብትዕግስቲ ንጕየ። 2ናብቲ፡ ሕፍረት ንዒቑ፡ ስለቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ሓጐስ ኢሉ መስቀል እተዓገሰ ኣብ የማን ኣምላኽ እተቐመጠን ጀማር እምነትናን ደምዳሚኣን የሱስ ንጠምት። 3ምእንቲ ኸይትደኽሙን ነፍሳትኩም ከይሕለላን፡ ነቲ ኻብ ሓጥኣን ኣብ ርእሱ ኽንድዚ ዝኣክል ምጽራር እተዓገሰ ዘክርዎ።
4ምስ ሓጢኣት ብምቅላስኩም ገና ኽሳዕ ኣብ ደም እትበጽሑ ኣይተቓወምኩምን። 5-6እቲ ኸም ንውሉድ ገይሩ፡ ወደየ፡ እግዚኣብሄር ነቲ ዘፍቅሮ ይቐጽዖ እዩ እሞ፡ ነቲ ዝቕበሎ ዘበለ ውሉድውን ይገርፎ፡ ስለዚ ቕጽዓት ጐይታ ኣይትንዓቕ፡ እንተ ገንሓካውን ሕሊናኻ ኣይተዕርብ፡ ኢሉ ዝዛረበኩም ዘሎ ምዕዶ ኸኣ ረሲዕኩምዎ ኣሎኹም። 7ቅጽዓት እንተ ተዓገስኩም፡ ኣምላኽ ከም ውሉድ ገይሩ ይርእየኩም እዩ። ኣቦኡ ዘይቀጽዖኸ እንታዋይ ውሉድ እዩ፧ 8ብዘይ እታ ዅሎም ዝሓበሩላ ቕጽዓት እንተ ዀንኩም ግና፡ ደቓሉ እምበር፡ ውሉድ ኣይኰንኩምን። 9ኣብ ርእሲ እዚውን ዝቐጽዑና ኣቦታት ስጋና ኻብ ዝነብሩና እሞ ካብ እንሓፍሮም፡ ብህይወት ምእንቲ ኽንነብርሲ፡ ነቲ ኣቦ መናፍስቲ ኣዚና ኽንእዘዞዶ ኣይግብኣናን እዩ፧ 10እቲኣቶምሲ ንቕሩብ መዓልቲ ኸም እተራእዮም ገይሮም ቀጽዑና፡ ንሱ ግና፡ ካብ ቅድስናኡ ምእንቲ ኽንማቐል ኢሉ፡ ንጥቕምና እዩ ዝቐጽዓና። 11ቅጽዓት ዘበለስ ንግዜኡ ንጓሂ እምበር፡ ንሓጐስ ከም ዝኸውን ኣይመስልን እዩ፡ ንዳሕራዩ ግና ነቶም ዝለመድዎ ናይ ሰላም ፍረ ጽድቂ እዩ ዝፈሪ። 12ምእንትዚ ነተን ዘርጋሕጋሕ ዝብላ ኣእዳውን ወለል ዝበለን ኣብራኽን ኣቕንዕወን፡ 13እቲ ዝሕንክስ ክሓዊ እምበር፡ ካብ መገዲ ምእንቲ ኸይወጽእሲ፡ ነእጋርኩም ትኽ ዝበለ መገዲ ግበሩ።
14ብዘይ ቅድስና ሓደ እኳ ንእግዚኣብሄር ኣይክርእዮን እዩ እሞ፡ ንቕድስናን ንሰላም ምስ ኵሉ ሰብን ስዓብወን። 15ሓደ እኳ ኻብ ጸጋ ኣምላኽ ከይጐድል፡ ንብዙሓት ዘርክስ ገለ መሪር ሱር በቝሉ ኸየጨንቐኩም፡ ተጠንቀቑ። 16ከምቲ ንሓደ ብልዒ ብዅርናኡ ዝሸጠ ኤሳው፡ ሓደ እኳ ኣመንዝራ ወይስ ርኹስ ከይከውን፡ ተጠንቀቑ። 17ንሱውን ጸኒሑ እኳ በረኸት ክወርስ እንተ ደለየ፡ ብንብዓት እናደለያ ኽነሱስ፡ ንንስሓ ስፍራ ኣይረኸበን እሞ፡ ከም እተደርበየ፡ ትፈልጡ ኢኹም።
18ንስኻትኩምሲ ናብቲ ብኢድ ዝትንከን ብሓዊ ዝነድድን ከረን፡ ናብ ጣቓን ጸልማትን ህርህርን፡ 19ናብ ቃና መለኸትን ናብቲ እቶም ነቲ ቓል ዝሰምዑ ወሲኹ ኸይዛረቦም ዝለመኑሉ ድምጺ ቓልን ኣይበጻሕኩምን። 20ንሳቶም፡ እንስሳ እኳ ነቲ ኸረን እንተ ተንከየ፡ ብዳርባ እምኒ ይሙት፡ ዝብል ትእዛዝ ክጸርዎ ኣይተኻእሎምን። 21ሙሴ እኳ፡ እፈርህን እምብድበድን ኣሎኹ፡ ክሳዕ ዝብል፡ እቲ ትርኢቱ ክሳዕ ክንድዚ ዘፍርህ ነበረ። 22ንስኻትኩም ግና ናብ ከረን ጽዮንን ናብታ ኸተማ ህያው ኣምላኽ ሰማያዊት የሩሳሌም ናብቶም ኣእላፋት መላእኽትን ኢኹም ዝበጻሕኩም፡ 23ናብ ጉባኤ ዅሉ፡ ናብ ማሕበር እቶም ኣብ ሰማያት ተጻሒፎም ዘለዉ በዅራት፡ ናብ ኣምላኽ ፈራድ ኵሉ፡ ናብ መናፍስቲ እቶም ፍጹማን ጻድቃንን፡ 24ናብ የሱስ ማእከላይ ሓድሽ ኪዳንን ናብቲ ኻብ ደም ኣቤል ዝሓሸ ዝዛረብ ምንጻግ ደምን በጺሕኩም ኣሎኹም።
25እቲኣቶም፡ ኣብ ምድሪ ክዛረቦም ከሎ፡ ኣብዮም ካብ ዘየምልጡስ፡ ንሕና ነቲ ኻብ ሰማይ ዝዛረበና ዝባንና ኻብ እንመልሰሉ ግዳ፡ ከመይ ኢልና ኸነምልጥ፧ ስለዚ ነቲ ዝዛረበኩም ዘሎ ኸይትኣብይዎ ተጠንቀቑ። 26ሽዑ ድምጹ ንምድሪ ኣንቀጥቀጣ፡ ሕጂ ግና፡ ሓደ ግዜ ደጊመ ንሰማይ ከም ዘንቀጥቅጥ ክገብሮ እየ እምበር፡ ንምድሪ ጥራይ ኣይኰንኩን፡ ኢሉ ተስፋ ይህብ። 27እዛ፡ ሓደ ግዜ ደጊመ፡ ምባል ከኣ፡ እቲ ዘየንቀጥቅጥ ምእንቲ ኽጸንዕሲ፡ እቲ ዘንቀጥቅጥ ፍጡር ስለ ዝዀነ ምልዋጡ እያ እተመልክት ዘላ። 28-29ኣምላኽና ዝባላዕ ሓዊ እዩ፡ ስለዚ ንሕና ዘይተንቀጥቅጥ መንግስቲ እንቕበል ካብ ኰንናስ፡ ንኣምላኽ ብዘሐጕሶ ቅዱስ ምኽባርን ብፍርሃትን እናኣገልገልና ነመስግን።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
እብራውያን ምዕራፍ 13
1ፍቕሪ ሕውነት ትጽናዕ። 2ገሊኣቶም ከይፈለጡ ብእኡ ንመላእኽቲ ኸም ኣጋይሽ ተቐቢሎም ኣለዉ እሞ፡ ምቕባል ኣጋይሽ ኣይትረስዑ። 3ንእሱራት ከም መተኣስርቶም ኴንኩም፡ መከራ ይጸግቡ ንዘለዉ ኸኣ ንስኻትኩምውን ኣብቲ ስጋ ኸም ዘሎኹም ኴንኩም ዘክርዎም። 4ነመንዝራታትን ንዘመውትንሲ ኣምላኽ ክፈርዶም እዩ እሞ፡ መውስቦ ኣብ ኵሉ ኽቡር፡ እቲ መደቀስ ኣሚን ከኣ ዘይረኸሰ ይኹን። 5ንሱ ባዕሉ፡ ኣይክሓድገካን ዕሽሽውን ከቶ ኣይክብለካን እየ፡ ኢሉ እዩ እሞ፡ ንብረትኩም ብዘይ ፍቕሪ ገንዘብ ይኹን፡ በቲ ዘሎኹም ዕገቡ። 6ስለዚ ተቢዕና፡ እግዚኣብሄር ረዳእየይ እዩ እሞ፡ ኣይክፈርህን እየ፡ ሰብከ እንታይ ከይገብረኒ፧ ንበል።
7ነቶም ቃል ኣምላኽ ዝነገሩኹም መራሕትኹም ዘክርዎም፡ መወዳእታ ንብረቶም እናተቛመትኩም፡ ኣሰኣሰር እምነቶም ስዓቡ። 8የሱስ ክርስቶስ ትማልን ሎምን ንዘለኣለም ንሱ እዩ። 9ልብኹም፡ በቲ ነቶም ዝኸዱሉ ዘይጠቐሞም ብልዒ ዘይኰነስ፡ ብጸጋ እንተ ጸንዐ፡ ጽቡቕ እዩ እሞ፡ ብብዙሕ ዝዓይነቱን ብጋሻን ትምህርቲ ኣይትስሓቱ። 10-11እቲ ብሊቀ ኻህናት ስለ ሓጢኣት ኣብ መቕደስ ዝኣቱ ዝነበረ ደም እንስሳታት፡ እቲ ስጋታተን ኣብ ወጻኢ ሰፈር ይሓርር ነበረ እሞ፡ ንሕናስ እቶም ነቲ ድንኳን ዘገልግሉ ካብኡ ኽበልዑ መሰል ዘይብሎም መሰውኢ ኣሎና። 12ስለዚ የሱስ ከኣ፡ ብደሙ ንህዝቢ ምእንቲ ክቕድስ ኢሉ፡ ኣብ ወጻኢ ኣፍ ከተማ መከራ ጸገበ። 13-14ነታ እትመጽእ ንደሊ ኣሎና እምበር፡ ኣብዚ እትነብር ከተማ የብልናን እሞ፡ ሕጂ ጸርፉ ተሰኪምና ናብ ወጻኢ ሰፈር ናብኡ ንውጻእ። 15እምብኣርስ ብእኡ ንኣምላኽ ኵሉ ሳዕ መስዋእቲ ምስጋና፡ ማለት ንስሙ ዝእመና ፍረ ኸናፍር፡ ነቕርብ። 16ኣምላኽ ነዚ ኸምዚ ዝመሰለ መስዋእቲ ይሰምሮ እዩ እሞ፡ ሰናይ ምግባርን ምምቓልን ኣይትረስዑ። 17ንመራሕትኹም ተኣዘዝዎምን ተገዝእዎምን። ንሳቶም ከምቶም ጸብጻብ ዝህቡ ዀይኖም፡ ምእንቲ ነፍሳትኩም ነቒሖም ይሕልዉ ኣለዉ እሞ፡ ነዚ ብታሕጓስ ክገብርዎ እምበር፡ ብጓሂ እንተ ገበርዎ፡ እዚ ንኣካትኩም ኣይጠቅምን እዩ።
18ብዅሉ ደግነት ክንነብር እናደለና፡ ሰናይ ሕልና ኸም ዘሎና፡ ተረዲእናዮ ኣሎና እሞ፡ ጸልዩልና። 19ኣነ ቐልጢፈ ኸም ብሓድሽ ምእንቲ ኽውሃበኩም፡ እዚ ኽትገብሩ ኣብዚሐ እምዕደኩም ኣሎኹ።
20ኣምላኽ ሰላም ግና ነቲ ብናይ ዘለኣለም ደም ኪዳን ዓብዪ ጓሳ ኣባጊዕ፡ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ካብ ምዉታት ዘተንስኦ፡ 21ብየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቅድሚኡ ባህ ዘብሎ ኣባኻትኩም እናገበረ ብሰናይ ግብሪ ዘበለ ዅሉ ፍቃዱ ኽትገብሩ የብቅዕኩም። ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ንእኡ ኽብሪ ይኹኖ። ኣሜን።
22ኣቱም ኣሕዋተይ፡ እዚ ቓል ምኽሪ እዚ ኣሕጺረ ጽሒፈልኩም እየ እሞ፡ ክትቅበልዎ እልምነኩም ኣሎኹ። 23ጢሞቴዎስ ሓዉና ኸም እተፈትሐ፡ ፍለጡ፡ ንሱ ቐልጢፉ እንተ መጸ፡ ምስኡ ኽርእየኩም እየ።
24ንዅላቶም መራሕትኹምን ንዅላቶም ቅዱሳንን ሰላም በልዎም። እቶም ካብ ኢጣልያ ዝዀኑ ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ።
25ጸጋ ምስ ኵላትኩም ይኹን። ኣሜን።
መልእኽቲ ያእቆብ
1 2 3 4 5
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ያእቆብ ምዕራፍ 1
1ያእቆብ ናይ ኣምላኽን ናይ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ባርያ ነቶም ፋሕ ኢሎም ዘለዉ ዓሰርተው ክልተ ነገድ ሰላም ይብሎም ኣሎ።
2ኣሕዋተየ፡ በበይኑ ዝዀነ ፈተና እንተ በጽሓኩም፡ ንዅሉ ኸም ሓጐስ ቍጸርዎ።3እቲ ምፍታን እምነትኩም ትዕግስቲ ኸም ዝገብር ፈሊጥኩምሲ፡4ብሓንቲ እኳ ኸይጐደልኩም ፍጹማትን ምሉኣትን ምእንቲ ኽትኰኑ፡ እታ ትዕግስቲ ፍጹም ግብሪ ይሃልዋ።
5ሓደ ኻባኻትኩም ጥበብ እንተ ጐደለቶ ግና፡ ነቲ ከየስተሓፈረ ንዅሉ ብልግሲ ዝህብ ኣምላኽ ይለምኖ፡ ክውሃቦውን እዩ።6እቲ ዝጣራጠርሲ ኸምቲ ንፋስ ዝደፍኦን ዝመልሶን ማዕበል ባሕሪ እዩ ዝመስል እሞ፡ ከይተጣራጠረ ደኣ ብእምነት ይለምን።7-8ክልተ ዝልቡ ሰብኣይ ብዅሉ መገዱ ጽኑዕ ኣይኰነን እሞ፡ እቲ ኸምዚ ዘመሰለ ሰብ ካብ ጐይታ ገለ ዝቕበል ኣይምሰሎ።
9እቲ ለጠቕ ዝበለ ሓው ግና ልዕል ብምባሉ ይመካሕ።10እቲ ሃብታምውን፡ ከም ዕምባባ ሳዕሪ ኽሓልፍ እዩ እሞ፡ ብውርደቱ ይመካሕ።11ጸሓይ ምስ ዋዒኣ ትወጽእ እሞ፡ ነቲ ሳዕሪ ተንቅጾ፡ እቲ ዕምባባኡ ኸኣ ይረግፍ፡ ደመት ትርኢቱ ድማ ይጠፍእ፡ ከምኡውን እቲ ሃብታም ብመገዱ ኽሓርር እዩ።
12ተፈቲኑ ምስ ወጸ፡ ነቲ እግዚኣብሄር ነቶም ዘፍቅርዎ ዘተስፈዎም ኣኽሊል ህይወት ክቕበል እዩ እሞ፡ እቲ ብፈተና ዝዕገስ ሰብኣይ ብጹእ እዩ።13ኣምላኽሲ ብእኩይ ኣይፍተንን ባዕሉውን ንሓደ እኳ ኣይፍትንን እዩ እሞ፡ ሓደ እኳ ምስ ተፈተነ፡ ኣምላኽ ፈቲኑኒ ኣይበል።14ነፍሲ ወከፍ ግና ብገዛእ ትምኒቱ ተስሒቡን ተሓቢሉን እዩ ዝፍተን።15ደሓር፡ ትምኒት ምስ ጠነሰት፡ ንሓጢኣት ትወልዶ፡ ሓጢኣት ምስ ተፈጸመ ድማ፡ ንሞት ይወልዶ።16ኣቱም ፍቁራት ኣሕዋተይ፡ ኣይትስሓቱ።17ጽቡቕ ውህበትን ምሉእ ውህበትን ካብ ላዕሊ እዩ፡ ካብቲ ለውጢ ወይስ ምምልላስ ጽላሎት ዘይብሉ ኣቦ ብርሃናት እዩ ዝወርድ።18በዅሪ ፍጥረቱ ምእንቲ ኽንከውን ኢሉ እዩ ኸም ፍቓዱ ብቓል ሓቂ ዝወለደና።
19-20ፍቁራት ኣሕዋተየ፡ እዚ ትፈልጡ ኢኹም። ኵራ ሰብኣይሲ ጽድቂ ኣምላኽ ኣይገብርን እዩ፡ ስለዚ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንምስማዕ ቅልጡፍ፡ ንምዝራብ ደንጓዪ ይኹን።21ስለዚ ንርኽሰት ዘበለን ብዝሒ ኽፍኣትን ኣርሕቑ፡ ነቲ ንነፍስኹም ከድሕና ዝከኣሎ ትኹል ቃልውን ብገርህነት ተቐበልዎ።22ገበርቲ ቓል ኩኑ፡ ርእስኹም እናጠበርኩም ሰማዕቲ ጥራይ ኣይትኹኑ።23ሓደ እኳ ሰማዕ ቃል ኰይኑ ገባሪ እንተ ዘይኰነ፡ ንሱ ነቲ ንገጽ ፍጥረቱ ብመስትያት ዝርኢ ሰብኣይ እዩ ዝመስል።24ነፍሱ ይርኢ እሞ፡ ይኸይድ ብኡብኡውን ከመይ ምዃኑ ይርስዖ።25እቲ ኣብቲ ምሉእ ሕጊ፡ ንሱ ድማ ሕጊ ሓርነት፡ ኣጸቢቑ ዝጥምትን ዝጸንዕን፡ ግብሪ ዝገብር እምበር፡ ዘይርስዕ ሰማዒ ግና፡ እዚ ብግብሩ ብጹእ ክኸውን እዩ።26ሓደ እኳ፡ ንልቡ ደኣ ዘስሕቶ እምበር፡ ልሳኑ ዘይለጕም እንተሎ፡ ንኣምላኽ ዘምልኽ ከም ዘሎ እንተ መሰሎ፡ ኣምልኾኡ ኸንቱ እዩ።27ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣቦን ንጹህን ርኽሰት ዘይብሉን ኣምልኾ እዚ እዩ፡ ርእስኻ ኻብ ርኽሰት ዓለም እናሓሎኻ፡ ንዘኽታማትን መበለታትን ኣብ መከራኦምን ጸበባኦምን ምብጻሕ እዩ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ያእቆብ ምዕራፍ 2
1ኣቱም ኣሕዋተይ፡ እምነት ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ጐይታ ኽብሪ፡ ብዘይ ኣድልዎ ሓዙ።2ኣብ ቤት ጸሎትኩም ሓደ ብዓል ቀለቤት ወርቂ፡ ባዕባዕ ዝብል ክዳን እተኸድነ ሰብኣይ እንተ ኣተወ፡ ሓደ ድኻ ድማ ረሳሕ ክዳን ተኸዲኑ እንተ ኣተወ፡3እሞ ነቲ ባዕባዕ ዝብል ክዳን እተኸደነ እንተ ርኤኹም፡ ንስኻ ኣብዚ ጽቡቕ ስፍራ ተቐመጥ፡ እንተ በልኩምዎ፡ ነቲ ድኻ ድማ፡ ንስኻስ ኣብቲ ደው በል፡ ወይስ ኣብዚ ትሕቲ ድኳ እግረይ ተቐመጥ፡ እንተ በልኩምዎ፡4ኣብ ንሓድሕድኩም ኣድልዎ ምግባር ደይኰነን፡ ብኽፉእ ሓሳብዶኸ ፈራዶ ኣይኰንኩምን፧
5ኣቱም ፍቁራት ኣሕዋተየ፡ ስምዑ፡ ብእምነት ክህብትሙ ነቶም ዘፍቅርዎ ተስፋ ዘግበረላ መንግስቲ ኸኣ ክወርሱ ኢሉዶ፡ ኣምላኽ ነቶም ድኻታት እዛ ዓለም እዚኣ ኣይሓረዮምን እዩ፧6ንስኻትኩም ግና ነቲ ድኻ ነዓቕኩምዎ። እቶም ሃብታማትዶ ኣይኰኑን ዝሕይሉኹምን ናብ መጋባእያ ዝስሕቡኹምን፧7ንሳቶምዶ ኣይኰኑንከ ነቲ እተጸዋዕኩምሉ ኽቡር ስም ዝጸርፉ ዘለዉ፧8ሕጂ ግና ከምቲ ጽሑፍ፡ ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ጌርካ ኣፍቕሮ፡ ዝብል፡ ነቲ ንጉሳዊ ሕጊ ብሓቂ እንተ ፈጸምኩምዎ፡ ሰናይ ትገብሩ ኣሎኹም።9እንተ ኣድሎኹም ግና፡ ሓጢኣት ትገብሩ ኣሎኹም፡ እቲ ሕጊ ኸኣ መፍረስቲ ምዃንኩም ይረትዓኩም እዩ።10ንብዘሎ እቲ ሕጊ ሓልዩ ኣብ ሓንቲ ዝብድል ብዅሉ እዩ በደለኛ ዝኸውን።11እቲ፡ ኣይትዘሙ፡ ዝበለ፡ ኣይትቕተል፡ ድማ በለ። ስለዚ እንተ ዘይዘሞኻ እኳ፡ ካብ እትቐትልሲ መፍረሲ ሕጊ ኢኻ።12-13ነቲ ምሕረት ዘይገበረስ ምሕረት ዘይብሉ ፍርዲ ክዀኖ እዩ፡ ምሕረትሲ ኣብ ፍርዲ ትምካሕ እያ እሞ፡ ከምቶም ብናይ ሓርነት ሕጊ ዝፍረዶም፡ ከምኡ ተዛረቡ ኸምእውን ግበሩ።
14ኣሕዋተየ፡ ሓደ ሰብ፡ እምነት ኣላትኒ፡ እንተ በለ፡ ግብሪ ግና ካብ ዘይትህልዎ፡ እንታይ ይጠቅም፧ እዛ እምነት እዚኣዶ ኸተድሕኖ ትኽእል እያ፧15ሓው ወይስ ሓብቲ እንተ ዓረቑ፡ ናይ ዕለት ምግቢውን እንተ ሰኣኑ፡16እሞ ንስጋኦም ዘድሊ ኸይሀብኩምዎምሲ፡ ሓደ ካባኻትኩም፡ ብሰላም ኪዱ፡ ሙቑ፡ ጽገቡ፡ እንተ በሎም፡ እንታይ ይጠቕም፧17ከምኡ ኸኣ እምነት፡ ግብሪ እንተ ዘይብላስ፡ ንርእሳ ምውትቲ እያ።
18ግናኸ ሓደ ሰብ ግዳ፡ ንስኻ እምነት ኣላትካ፡ ኣነ ኸኣ ግብሪ ኣሎኒ፡ ይብል ይኸውን። እምብኣርሲ እምነትካ ብዘይ ግብሪ ኣርእየኒ፡ ኣነውን ብግብረይ ገይረ እምነተይ ከርእየካ እየ።19ንስኻስ ኣምላኽ ሓደ በይኑ ምዃኑ ትኣምን ኣሎኻ። ጽቡቕ ገበርካ፡ ኣጋንንቲውን ይኣምኑን ይንቅጥቀጡን እዮም።20ግናኸ፡ ኣታ ከንቱ ሰብ፡ እምነት ብዘይ ግብሪ ምውትቲ ምዃና ኽትፈልጥዶ ትደሊ ኢኻ፧21ኣብርሃም ኣቦናዶ ንይስሃቅ ወዱ ኣብ መሰውኢ ምስ ኣቕረቦ፡ ብግብሩ ኣይጸደቐን፧22እምነት ምስ ግብሩ ዀይና ኸም ዝዓየየት፡ እምነት ብግብሪ ገይራውን ከም እተፈጸመት፡ ትርኢ ኣሎኻ።23እቲ፡ ኣብርሃም ንኣምላኽ ኣመኖ እሞ ንጽድቂ ዀይኑ ተቘጽረሉ፡ ዝብል ጽሑፍ ተፈጸመ፡ ፍቁር ኣምላኽውን ተባህለ።
24ሰብ ብግብሪ ኸም ዝጸድቕ፡ ብእምነት ጥራይ ከም ዘይኰነ፡ ትርእዩ ኣሎኹም።25ከምኡ ኸኣ ረሃብ፡ እታ ኣመንዝራ፡ ነቶም ልኡኻት ምስ ተቐበለቶም፡ ብኻልእ መገዲውን ምስ ኣውጽኣቶም፡ ብግብሪዶ ኣይጸደቐትን፧26እምብኣርከ ስጋ ብዘይ መንፈስ ምዉት ከም ዝዀነ፡ ከምኡውን እምነት ብዘይ ግብሪ ምውትቲ እያ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ያእቆብ ምዕራፍ 3
1ኣሕዋተየ፡ ዝገድድ ፍርዲ ኸም እንቕበል ፈሊጥኩም፡ ብዙሓት መምህራን ኣይትኹኑ።2ኵላትና ብብዙሕ ነገር ንስሕት ኢና እሞ፡ ሓደ ብቓል ዘይስሕት እንተሎ፡ ንሱ ንብዘሎ ስጋኡ ኽለጕም ዝከኣሎ፡ ብቑዕ ሰብኣይ እዩ።3እንሆ፡ ኣብ ኣፍ ኣፍራስ፡ ምእንቲ ክእዘዙና ኢልና፡ ልጓም ንገብረሎም ኣሎና፡ ንብዘሎ ስጋኦምውን ብእኡ ኢና እነቕንዖ።4እንሆ፡ መራኽብ ድማ፡ ክንድዚ ዓበይቲ ኽነሰንሲ፡ ብብርቱዕ ንፋስ እናተኸብከባ ናብቲ ፍቓድ መራሒ ዝደልዮ ብንእሽቶ ስካን እየን ዝቃንዓ።5ከምኡ ድማ ልሳን ንእሽቶ ኣካል እያ እሞ፡ ብዓብዪ ነገር ትምካሕ። እንሆ፡ ንእሽቶ ሓዊ ኽንደይ ዓብዪ ዱር ዘይተንድድ።6ልሳንውን ሓዊ እያ፡ ዓለም ዓመጻ እያ። ልሳን ኣብ ማእከል ኣካላትና ሰፊራ ንብዘሎ ስጋ ተርክሶ ኣላ፡ ንመዘወር ንብረት ከኣ ተንድዶ፡ ብገሃነምውን ዝነደደት እያ።7ኵሉ ዓሌት እንስሳን ኣዕዋፍን ለመም ዝብልን እንስሳ ባሕርን ብባህርይ ሰብ ይግዛእ፡ ተገዚኡውን ኣሎ።8ግናኸ ንልሳንሲ ሓደ ሰብ እኳ ኽገዝኣ ኣይተኻእሎን፡ ንሳ ዘይተዓርፍ እክይቲ፡ ዝቐትል ሕንዚ ዝመልአት እያ።9ብእኣ ጌርና ንጐይታን ነቦን ንምርቕ፡ ብእኣ ጌርናውን ነቶም ብምስሊ ኣምላኽ እተፈጥሩ ሰባት ንረግም።10ካብ ሓደ ኣፍሲ ምርቓን መርገምን ይወጽእ። ኣሕዋተየ፡ እዚ ኸምዚ ክኸውን ኣይግባእን እዩ።11ወይስ ዔላዶ ኻብ ሓንቲ ዓይኒ ማይ ጥዑምን መሪርን ማይ ትፍልፍል እያ፧12ኣቱም ኣሕዋተየ፡ ኦም በለስዶ ፍረ ኣውልዕ ክትፈሪ ይከኣላ እዩ፡ ወይ ተኽሊ ወይንስ ፍረ በለስ፧ ከምኡኸ እታ ዔላ ጨው ጥዑም ማይ ክትፍልፍል ኣይከኣላን እዩ።
13ኣብ ማእከልኩምከ ለባምን ኣስተውዓልን መን እዩ፧ ንሱ ብሰናይ ኣኻይዳኡ ብለውሃት ጥበብ ገይሩ ግብሩ የርኢ።14መሪር ቅንእን ሻራን ኣብ ልብኹም ካብ ዝህልወኩም ግና፡ ንሓቂ እናተጻረርኩም ኣይትመክሑን ኣይትሓስዉን።15-16ኣብቲ ቕንእን ሻራን ዘለዎ፡ ኣብኡ ምፍራስ ስርዓትን ኵሉ እኩይ ግብርን ኣሎ እሞ፡ እዛ ጥበብ እዚኣ ምድራዊትን ስጋዊትን ሰይጣናዊትን እያ እምበር፡ ካብ ላዕሊ እትወርድ ኣይኰነትን።17እታ ናይ ላዕሊ ጥበብ ግና ቅድም ንጽህቲ እያ፡ ደሓርውን ሰላማዊት፡ ልእምቲ፡ ሰማዕ፡ ምሕረትን ጽቡቕ ፍረን ዝመልአት፡ ብዘይ ዝሬትን ብዘይ ግብዝናን እያ።18ነቶም ሰላም ዝገብሩውን እቲ ፍረ ጽድቂ ብሰላም ይዝርኦም እዩ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ያእቆብ ምዕራፍ 4
1እቲ ኣብ ማእከልኩም ዘሎ ውግእን ባእስን ካበይ እዩ ዝመጽእ ዘሎ፡ ካብቲ ኣብ ኣካላትኩም ኰይኑ ዝዋጋእ ዘሎ ፍትወት ስጋኹም ደይኰነን፧2ትምነዩ እሞ የብልኩምን፡ ትቐትሉን ትቐንኡን እሞ ሓንቲ እኳ ኽትረኽቡ ኣይከኣለኩምን እዩ፡ ትበኣሱን ትዋግኡን ኢኹም እሞ፡ ስለ ዘይለመንኩም የብልኩምን።3ትልምኑ ኢኹም እሞ፡ ብፍትወት ስጋኹም ምእንቲ ኽትዘርውዎ፡ ብኽፉእ ስለ ዝለመንኩም፡ ኣይትቕበሉን ኢኹም።4ኣትን ዘመውቲ፡ ፍቕሪ ንዓለምሲ ንኣምላኽ ጽልኢ ምዃኑዶ ኣይትፈልጣን ኢኽን፧ እምበኣርከ ፈታው ዓለም ምዃን ዝደሊ፡ ንሱ ጸላእ ኣምላኽ እዩ ዝኸውን።5ወይስ እቲ ጽሑፍዶ ብኸንቱ ዝብል ዘሎ ይመስለኩም፧ እቲ ኣባና ዘሕደሮ መንፈስከ ኽሳዕ ቅንኢዶ ሃረር ይብል እዩ፧6ንሱ ግና ኣብዚሑ ጸጋ ይህብ። ስለዚ ድማ፡ ኣምላኽ ንዕቡያት ይጻረሮም፡ ንትሑታት ግና ጸጋ ይህቦም፡ ይብል።7እምብኣርስሲ ንኣምላኽ ተገዝእዎ። ንድያብሎስ ግና ተጻረርዎ እሞ፡ ንሱ ካባኻትኩም ክሃድም እዩ።8ንኣምላኽ ቅረብዎ፡ ንሱውን ክቐርበኩም እዩ። ኣቱም ሓጥኣን፡ ኣእዳውኩም ኣጽርዩ፡ ኣቱም ሰብ ክልተ ልቢውን፡ ልብኹም ኣንጽሁ።9ተሽገሩን ጕሃዩን ብኽዩን። ሰሓቕኩም ናብ ብኽያት፡ ሓጐስኩምውን ናብ ሓዘን ይለወጥ።10ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ትሕት በሉ፡ ንሱውን ልዕል ከብለኩም እዩ።
11ኣቱም ኣሕዋተየ፡ ንሓድሕድኩም ኣይትተሓማመዩ። እቲ ንሓዉ ዝሓሚ ወይስ ኣብ ሓዉ ዝፈርድ ነቲ ሕጊ ይሓምዮ፡ ኣብ ሕጊውን ይፈርድ። ኣብ ሕጊ ኻብ እትፈርድ ግና፡ ፈራዲ እምበር፡ ገባር ሕጊ ኣይኰንካን።12እቲ ኸድሕንን ከጥፍእን ዝኽእል ሓጋግ ሕግን ፈራድን ሓደ ንሱ እዩ። ኣብ ብጻይካ እትፈርድከ ንስኻ እንታዋይ ኢኻ፧
13እስኪ ሕጂኸ ንስኻትኩም፡ ሎሚ ወይስ ጽባሕ ናብታ ኸተማ እቲኣ ንኺድ እሞ ኣብኣ ዓመት ንግበር፡ ክንነግድን ክንረብሕን ኢና፡ እትብሉ፡14ንስኻትኩም ነቲ ጽባሕ ዝኸውን ኣይትፈልጥዎን ኢኹም። ህይወትኩም ደኣ እንታይ እያ፧ ንቕሩብ ግዜ ተርእያስ፡ ደሓር ዝበንን ትኪ ኢኹም።15ጐይታ እንተ ፈቐዶ፡ ንሕናውን እንተ ሃሊና፡ እዚ ወይስ እቲ ክንገብር ኢና፡ ኣብ ክንዲ ምባልሲ፡16ሕጂ ግና ብምጅሃርኩም ትምክሑ ኣሎኹም። ከምዚ ዝበለ ዅሉ ትምክሕቲ ኽፉእ እዩ።17እምበኣርስኸ እቲ ሰናይ ምግባር ዝፈልጥ እሞ ዘይገብሮ፡ ንእኡ ሓጢኣት ይዀኖ እዩ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ያእቆብ ምዕራፍ 5
1ኣቱም ሃብታማት፡ እስኪ ሕጂኸ በቲ ዝመጸኩም ዘሎ መግደራ ዋይ ዋይ እናበልኩም ብኸዩ።2ሃብትኹም መሽሚሹ፡ ንኽዳውንትኹምውን ብልዒ በሊዕዎ።3ወርቕኹምን ብሩርኩምን መሪቱ፡ እቲ ምምራቱ ኸኣ ክምስክረልኩም እዩ። ንስጋኹምውን ከም ሓዊ ኽበልዖ እዩ፡፡ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት መዝገብ አኪብኩም ኣሎኹም።4እንሆ፡ ውዕለት እቶም ግርሁኹም ዝዓጸዱ ዓየይቲ፡ ንስኻትኩም ከኣ ዝገደብኩምዎም፡ የእዊ ኣሎ። ኣውያት እቶም ዓጻዶውን ኣብ እዝኒ እግዚኣብሄር ጻባኦት በጺሑ ኣሎ።5ኣብ ምድሪ ሓንቂቕኩምን ጥዒሙኩምን፡ ከም ብመዓልቲ ማሕረዲውን ልብኹም ኣስቢሕኩም።6ፈሪድኩም፡ ነቲ ጻድቕ ቀቲልኩምዎ፡ ንሱ ኣይጻረረኩምን እዩ።
7እምብኣርሲ፡ ኣሕዋተየ፡ ክሳዕ ምጽኣት ጐይታ ተዓገሱ። እንሆ፡ ሓረስታይ ነቲ ኽቡር ፍረ ምድሪ ይጽበዮ፡ ኣኸዛን ማይ ጽብሓትን ክሳዕ ዝረክብውን ይዕገስ እዩ።8ንስኻትኩም ከኣ፡ ምጽኣት ጐይታ ቐረባ እዩ እሞ፡ ተዓገሱ፡ ልብኹምውን ኣጽንዑ።9ኣሕዋተየ፡ ከይትፍረዱ፡ ኣብ ንሓድሕድኩም ኤህ ኣይትበሉ። እንሆ፡ እቲ ፈራዲ ኣብ ኣፍ ቤት ደው ኢሉ ኣሎ።10ኣቱም ኣሕዋተይ፡ ነቶም ብስም እግዚኣብሄር እተዛረቡ ነብያት፡ ኣርኣያ ሓሳረ መከራን ትዕግስትን ግበርዎም።11እንሆ፡ ነቶም እተዓገሱ ብጹኣን እዮም ንብሎም ኣሎና። ብዛዕባ ትዕግስቲ እዮብ ሰሚዕኩም ኣሎኹም፡ እግዚኣብሄር ከኣ ብዙሕ ለውሃት ዝመልአን ደንጋጽን እዩ እሞ፡ ነቲ እግዚኣብሄር ዝገበረሉ መወዳእታ ርኢኹምዎ ኣሎኹም።
12ግናኸ፡ ኣቱም ኣሕዋተየ፡ ኣብ ትሕቲ ፍርዲ ኸይትወድቁስ፡ እቲ እወኹም እወ፡ እቲ ኣይኰነን ዝበልኩምዎ ኸኣ ኣይኰነን ይኹን እምበር፡ ቅድሚ ዅሉ ብሰማይ፡ ወይስ ብምድሪ፡ ወይስ ብኻልእ ማሕላ ኣይትምሓሉ።
13ኣብ ማእከልኩም ሓሳረ መከራ ዝጸግብ ኣሎ፧ ይጸሊ። ሕጉስዶ ኣሎ፧ ይዘምር።14ኣብ ማእከልኩምከ ዝሓመመዶ ኣሎ፧ ንሽማግለታት ማሕበር ይጸውዕ፡ ንሳቶም ከኣ ብስም እግዚኣብሄር፡ ዘይቲ እናለኸይዎ፡ ኣብ ልዕሊኡ ይጸልዩ።15እታ ናይ እምነት ጸሎት ድማ ነቲ ሕሙም ከተድሕኖ እያ፡ ጐይታውን ከተንስኦ እዩ። ሓጢኣት ገይሩ እንተ ዀይኑውን ክሕደገሉ እዩ።16እምብኣርሲ፡ ምእንቲ ኽትፍወሱ፡ ንሓድሕድኩም ሓጢኣትኩም ተኣመኑ፡ ምእንቲ ንሓድሕድኩምውን ጸልዩ። ጸሎት ጻድቕ ብግብራ ብዙሕ ተስልጥ እያ።17ኤልያስ ከማና ዝድኻሙ ሰብ እዩ ዝነበረ፡ ዝናም ከይዘንም ከኣ ጸሎት ጸለየ እሞ፡ ሰለስተ ዓመትን ሹድሽተ ወርሕን ኣብ ምድሪ ኣይዘነመን።18ከም ብሓድሽ ድማ ጸሎት ጸለየ፡ ሰማይ ከኣ ዝናም ሃበ፡ ምድሪውን ፍሪኣ ኣብቈለት።
19ኣቱም ኣሕዋተየ፡ ሓደ ካባኻትኩም ካብ ሓቂ እንተ ዘምበለ፡ ሓደ ኸኣ እንተ መለሶ፡20እቲ ንሓጥእ ካብ መገዲ ጌጋኡ ዝመልሶ፡ ንነፍሱ ኻብ ሞት ከም ዘድሕን፡ ብዝሒ ሓጢኣትውን ከም ዝኸድን፡ ይፍለጥ።
ቀዳመይቲ መልእኽቲ ጴጥሮስ
1 2 3 4 5
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
1ይ ጴጥሮስ ምዕራፍ 1
1ጴጥሮስ ሃዋርያ የሱስ ክርስቶስ ነቶም ኣብ ጶንጦስን ኣብ ገላትያን ኣብ ቀጶዶቅያን ኣብ ኤስያን ኣብ ቢቲንያን ፋሕ ኢሎም ዘለዉ ሕሩያት፡ 2ከምቲ ናይ ቀደም ፍልጠት እግዚኣብሄር ኣቦና ብቕድስና መንፈስ ንምእዛዝን ብደም የሱስ ክርስቶስን ንምንጻግን ጸጋን ሰላምን ኣባኻትኩም ይብዛሕ።
3-4እቲ ንዘይሓልፍን ዘይረክስን ዘይጽምሉን ኣብ ሰማያት ተኣርኒብልኩም ዘሎ ርስቲ፡ ብናይ የሱስ ክርስቶስ ትንሳኤ ካብ ምውታት ብዝሒ ምሕረት ንህያው ተስፋ ብሓድሽ ዝወለደና ኣምላኽ፡ ኣቦ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ይባረኽ፡ 5ንስኻትኩም ብሓይሊ ኣምላኽ ብእምነት ነቲ ብዳሕራይ ዘመን ክገሃድ ዘለዎ እተዳለወ ምድሓን ተሓሊኹም ኣሎኹም። 6-7እቲ ምፍታን እምነትኩም ብምግሃድ የሱስ ክርስቶስ ንምስጋናን ስብሓትን ክብርን ብሓዊ ኻብ ዝዅላዕ ንሓላፊ ወርቂ ኣዝዩ ኸቢሩ ምእንቲ ክርከብ፡ እንተ ኣድለየስ፡ ሕጂ ብብዙሕ ዝዓይነቱ ፈተና ምስ ጕሄኹም፡ ብእኡ ክትሕጐሱ ኢኹም። 8-9ነዚ ከይርኤኩምዎ እተፍቅርዎ፡ ሕጂውን ከይርኤኹምዎ ብእኡ እትኣምኑ ዘሎኹም፡ ነቲ መደምደምታ እምነትኩም፡ ንሱ ድማ ምድሓን ነፍሳትኩም፡ ምስ ረኸብኩምዎ፡ ብዘይንገርን ክቡርን ሓጐስ ትሕጐሱ ኢኹም። 10እቶም ብዛዕባ እቲ ንኣኻትኩም እተመደበ ጸጋ እተነበዩ ነብያት ብዛዕባ እዚ ምድሓን እዚ ደለዩን መርመሩን፡ 11እቲ ኣባታቶም ዝነበረ መንፈስ ክርስቶስ ብስቓይ ክርስቶስ በቲ ድሕሪኡ ዘሎ ክብርን ቀዲሙ ከም ዝመስከረ፡ ነየናይ ወይስ ንኸመይ ዝበለ ዘመን ከም ዘመልከተ እናመርመሩ፡ 12ንኣኻትኩም እምበር፡ ንርእሶም ከም ዘየገልገሉ ተገልጸሎም። እዚውን በቶም፡ በቲ ኻብ ሰማይ እተላእከ መንፈስ ቅዱስ ገይሮም፡ ወንጌል ዝሰበኹልኩም ሕጂ ተነግርልኩም፡ መላእኽቲ ናብኡ ክጥምቱ ይብህጉ እዮም።
13ስለዚ ሓቛቝ ልብኹም ተዓጢቕኩም እናተጠንቀቕኩም፡ ነቲ ብምግሃድ የሱስ ክርስቶስ እትረኽብዎ ጸጋ ምሉእ ተስፋ ግበሩ። 14ከም እዙዛት ውሉድ እምበር ከምቲ ብዘመን ድንቍርና ከሎኹም ዝገበርኩምዎ ናይ ቀደም ትምኒት ኣይትግበሩ፡ 15-16ኣነ ቅዱስ እየ እሞ፡ ቅዱሳት ኩኑ፡ ዝብል ጽሑፍ ስለ ዘሎ፡ ከምቲ እቲ ዝጸውዓኩም ቅዱስ ዝዀነ፡ ንስኻትኩምውን ብዅሉ ንብረትኩም ቅዱሳት ኩኑ። 17ነቲ ንነፍሲ ወከፍ ብዘይ ኣድልዎ ከከም ግብሩ ዚፈርድ፡ ንስኻትኩም ኣቦ ኢልኩም እትጽውዕዎ ኻብ ኰንኩምሲ፡ ኣብዚ ዘመን ግሽነትኩም ብፍርሃት ንበሩ። 18-19ካብቲ ኻብ ኣቦታትኩም እተቐበልኩምዎ ከንቱ ንብረትኩም፡ ከም ብደም እቲ ኣበርን ርኽሰትን ዘይብሉ ገንሸል፡ ብኽቡር ደም ክርስቶስ እምበር፡ ብጠፋኢ ነገር፡ ብብሩር ወይስ ወርቂ፡ ከም ዘይደሓንኩም፡ ትፈልጡ ኢኹም። 20ንሱ ቕድሚ ምስራት ዓለም ተመደበ፡ ኣብ መወዳእታ ዘመን ግና ምእንታኹም ተጋህደ። 21ንስኻትኩም፡ እምነትኩምን ተስፋኹምን ናብ ኣምላኽ ምእንቲ ክኸውን፡ በቲ ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ ኽብሪውን ዝሃቦ ኣምላኽ ኣሚንኩም ኣሎኹም። 22-23ብህያው ንዘለኣለም ብዝነብር፡ ካብ ቃል ኣምላኽ ካብ ዘይጠፍእ ዘርኢ እምበር፡ ካብ ጠፋኢ ዘርኢ ኣይኰንኩምን ከም ብሓድሽ እተወለድኩም፡ ንሓቂ እናተኣዛዝኩምዋን፡ ግብዝና ንዘይብላ ፍቕሪ ኣሕዋት ንነፍስኹም ኣጽርዩ፡ ብንጹህ ልቢ ንሓድሕድኩም ብሓቂ ተፋቐሩ፡ 24ኵሉ ስጋ ኸም ሳዕሪ፡ ኵሉ ኽብሩውን ከም ዕምበባ ሳዕሪ እዩ። እቲ ሳዕሪ ይነቅጽ፡ እቲ ዕምባባውን ይረግፍ፡ 25ቃል እግዚኣብሄር ግና ንዘለኣለም ይነብር። እቲ እተነግረልኩም ቃል ብስራት እዚ እዩ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
1ይ ጴጥሮስ ምዕራፍ 2
1እምብኣርሲ ንዅሉ ክፍኣትን ኵሉ ጕርሕን ግብዝናን ቅንእን ኵሉ ሕሜትን ኣርሕቕዎ። 2-3እግዚኣብሄር ሕያዋይ ምዃኑ ጥዒምኩም እንተ ዄንኩምሲ፡ ብእኡ ንምድሓን ምእንቲ ክትዓብዩ፡ ከምቶም ሕጂ እተወልዱ ህጻናት ነቲ ሕዋስ ዘይብሉ መንፈሳዊ ጸባ ብሃግዎ። 4ናብቲ ብሰብ ንዑቕ፡ ብኣምላኽ ግና ሕሩይን ክቡርን ዝዀነ ህያው እምኒ እናቐረብኩም፡ 5ንስኻትኩምውን፡ ከም ህያዋን ኣእማን ኴንኩም፡ ነቲ ብየሱስ ክርስቶስ ኣብ ኣምላኽ ቅቡል ዝዀነ መንፈሳዊ መስዋእቲ ከተቕርቡ፡ ንቕዱስ ክህነት ዝኸውን፡ መንፈሳዊ፡ ቤት ተሃነጹ። 6ስለዚ ኸኣ፡ እንሆ፡ ኣብ ጽዮን ሕሩይን ክቡርን እምኒ መኣዝን አንብር ኣሎኹ፡ ብእኡ ዝኣምን ከኣ ኣይክሓፍርን እዩ፡ ዝብል ኣብቲ ጽሑፍ ኣሎ። 7ስለዚ ንኣኻትኩም እትኣምኑ፡ ክቡር እዩ፡ ነቶም ዘይኣምኑ ግና፡ ነደቕቲ ዝነዓቕዎ እምኒ፡ ንሱ ርእሲ መኣዝን ኰነ፡ 8እምኒ መዓንቀፍን ከውሒ ምንስታትን ድማ እዩ። ብዘይ ምእዛዞም በቲ ቓል ይዕንቀፉ፡ ነዚ ድማ ምዱባት እዮም። 9ንስኻትኩም ግና ደግነት እቲ ኻብ ጸልማት ናብቲ ዘገርም ብርሃን ዝጸውዓኩም ምእንቲ ክትነግሩ፡ ሕሩይ ወለዶ፡ ናይ መንግስቲ ክህነት፡ ቅዱስ ህዝቢ፡ ጥሪት ኣምላኽ ዝዀኑ ህዝቢ ኢኹም። 10ንስኻትኩም ቀደም ህዝቢ ዘይነበርኩም፡ ሕጂ ግና ህዝቢ ኣምላኽ ኢኹም፡ ዘይተመሓርኩም ዝነበርኩም፡ ሕጂ ግና ምሑራት ኢኹም።
11ኣቱም ፍቁራተይ፡ ከም ኣጋይሽን ከም ስደተኛታትን እመኽረኩም ኣሎኹ፡ ካብቲ ምስ ነፍሲ ዝዋጋእ ስጋዊ ትምኒት ርሓቑ። 12እቶም ከም ገበርቲ እከይ ገይሮም ዝሓምዩኹም ዘለዉ፡ ንሰናይ ግብርኹም ርእዮም በታ መዓልቲ ሓተታ ንኣምላኽ ምእንቲ ኸመስግንዎ፡ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ኣካይዳኹም ኣጸብቑ። 13-15ከምዚ ሰናይ እናገበርኩም፡ ዕሽነት እቶም ዘይፈልጡ ሰባት ክትዓብሱ፡ ፍቓድ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ነቲ ከም ኣብ ልዕሊ ኩሉ ዘሎ ንጉስ፡ ወይስ ነቶም፡ ንገበርቲ እከይ ክቐጽዑ፡ ንገበርቲ ሰናይ ክንእዱ፡ ካብኡ እተላእኩ መኳንንቲ፡ ስለ እግዚኣብሄር ኢልኩም ንስርዓት ሰብ ዘበለ ተገዝኡ። 16ከም ውጹኣት ሓራ፡ ከም ኣገልገልቲ ኣምላኽ እምበር፡ ከምቶም ነቲ ሓርነትሲ መጐልበቢ ኽፍኣት ዝገብርዎ ኣይትኩኑ። 17ንዅሉ ሰብ ኣኽብሩ፡ ሕውነት ኣፍቅሩ፡ ንኣምላኽ ፍርህዎ፡ ንንጉስ ኣኽብርዎ።
18ኣቱም ግዙኣት፡ ነቶም ዓመጽቲ ኸኣ እምበር፡ ነቶም ህያዎትን ልኡማትን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብፍርሃት ዘበለ ንጐይተትኩም ተኣዘዝዎም። 19ሓደ እኳ ስለ ሕሊና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተዓሚጹ ጓሂ እንተ ተዓገሰ፡ እዚ ጸጋ እዩ። 20ሓጢኣት እናገበርኩም መውቃዕቲ እንተ ተዓገስኩም፡ እንታይ ትምክሕቲ ኣለዎ፡ ሰናይ እናገበርኩም መከራ እንተ ተዓገስኩም ግና፡ እዚ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅቡል እዩ። 21ነዚ ኢኹም እተጸዋዕኩም እሞ፡ ክርስቶስ ከኣ፡ ምእንቲ ኣስኣሰሩ ክትስዕቡ፡ ኣርኣያ ሓዲጉልኩም ምእንታኹም መከራ ጸገበ። 22ንሱ ሓጢኣት ዘይገበረ፡ ተንኰልውን ኣብ ኣፉ ዘይተረኽበ፡ 23ምስ ጸረፍዎ መሊሱ ዘይጸረፈ፡ መከራ ምስ ኣጽገብዎ ኸኣ፡ ነቲ ብቕንዕና ዝፈርድ ደኣ ነገሩ ኣሕሊፉ ሃበ እምበር፡ ዘየፈራርሄ። 24ንሓጢኣት መዊትናስ ንጽድቂ ምእንቲ ክንነብር፡ ንሱ ባዕሉ ንሓጢኣትና ኣብ ስጋኡ ኣብ ዕንጨይቲ ጾሮ፡ ብቝስሉ ኢኹም ዝሓዌኹም። 25ከም እተባረራ ኣባጊዕ ኔርኩም ኢኹም እሞ፡ ሕጂ ግና ናብቲ ጓሳኹምን ሓላው ነፍሳትኩምን ተመሊስኩም ኣሎኹም።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
1ይ ጴጥሮስ ምዕራፍ 3
1-2ኣትን ኣንስቲ፡ ገለ ነቲ ቓል ዘይእዘዙ እንተ ኣለዉ፡ ነቲ ፍርሃት ዘለዎ ንጹህ ኣካይዳኽን ምስ ረኣዩ፡ በካይዳ ኣንስቶም ብዘይ ቃል ከም ረብሓ ኮይኖም ምእንቲ ክርከቡስ፡ ከምኡ ንሰብኡትክን ተኣዘዛኦም። 3-4ስልማትክን እቲ ብሕቡእ ናይ ልቢ ሰብን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክቡር ዝዀነ ለዋህን ህዱእን መንፈስ ይኹን እምበር፡ እቲ ናይ ስሩሕ ርእስን፡ ናይ ስልማት ወርቂ ምእሳርን፡ ናይ ዘጌጸ ክዳውንቲ ምኽዳንን ኣፍኣዊ ነገር ኣይኹን። 5ቀደም ድማ እተን ተስፋአን ናብ ኣምላኽ ዝገበራ ቅዱሳት ኣንስቲ፡ ንሰብኡተን እናተኣዘዛ፡ ከምዚ እየን እተሰለማ። 6ከምቲ ሳራ ንኣብርሃም ጐይታይ እናበለት እተኣዘዘቶ፡ ንስኻትክን ከኣ ሰናይ እንተ ገበርክን፡ ብሓደ ዘሰምብድ ነገርውን እንተ ዘይፈራህክንሲ፡ ኣዋልዳ ኢኽን።
7ኣቱም ሰብኡት፡ ጸሎትኩም ምእንቲ ከይዕገት፡ ከም ምስ ድኽምቲ ፍጥረት፡ ከም መዋርስትኹም ንጸጋ ህይወት ጌርኩም እናኽበርኩምወን፡ ከምኡ ምስ ኣንስትኹም ብእምሮ ንበሩ። 8መወዳእታኡ ኸኣ፡ ኵላትኩም ሓደ ዝሓሳቦም፡ እትዳናገጹ፡ ሕውነት እተፍቅሩ፡ ለዋሃት፡ ትሑታት ኩኑ፡ 9ምርቓ ምእንቲ ክትወርሱ፡ ነዚ ጽዉዓት ኢኹም እሞ፡ መርቑ ደኣ እምበር፡ እኩይ ኣብ ክንዲ እኩይ ወይስ ጸርፊ ኣብ ክንዲ ጸርፊ ኣይትምለሱ። 10-12ኣዒንቲ እግዚኣብሄርሲ ናብ ጻድቃን እየን ዝርእያ፡ ኣእዛኑውን ናብ ጸሎቶም እየን፡ ገጽ እግዚኣብሄር ግና ነቶም ገበርቲ እከይ ይጻረሮም እዩ እሞ፡ እቲ ህይወት ክፈቱ ጽቡቓት መዓልትታት ከኣ ክርኢ ዝደሊ፡ ልሳኑ ኻብ ክፉእ፡ ከናፍሩውን ተንኰል ከይዛረባ ይኸልክል። ካብ እከይ ይዝበል ሰናይ ከኣ ይግበር፡ ንሰላም ይድለያ ይስዓባውን።
13ስለ እቲ ሰናይ እንተ ጸዓትኩምከ፡ መን እዩ እከይ ዝገብረኩም፧ 14ስለ ጽድቂ እኳ ድማ ሓሳረ መከራ እንተ ጸገብኩም፡ ብጹኣን ኢኹም። ካብ ፍርሃቶም ኣይትፍርሁ ኣይትሰምብዱውን። 15ንጐይታና ክርስቶስ ብልብኹም ቀድስዎ እምበር፡ ብዛዕባ እታ ኣባኻትኩም ዘላ ተስፋ ምኽንያታ ንዝሓተኩም ዘበለስ ምላሽ ንምሃብ ኵሉ ሳዕ እተዳሎኹም ኩኑ፡ ግናኸ ብዓቕልን ብፍርሃትን ደኣ ይኹን። 16-17ፍቓድ ኣምላኽ ከምዚ እንተ ደለዮስ፡ ካብ እከይ እናገበርኩምሲ፡ ሰናይ እናገበርኩም ሓሳረ መከራ ኽትጸግቡ ይሕሸኩም እዩ እሞ፡ እቶም ነቲ ብክርስቶስ ዝኸውን ሰናይ ኣካይዳኹም ዝጸርፉ በቲ ዝሓምዩኹም ምእንቲ ክሓፍሩ፡ ሰናይ ሕሊና ይሃሉኹም።
18ክርስቶስ ድማ፡ ናብ ኣምላኽ ምእንቲ ከቕርበና ኢሉ፡ ንሱ እቲ ጻድቕ ስለቶም ዓመጽቲ ሓንሳእ ስለ ሓጢኣት ሞተ፡ ብስጋ ሞተ፡ ብመንፈስ ግና ህያው ኰነ። 19ብእኡ ኸይዱ ድማ ነቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝነበሩ መናፍስቲ ሰበኸሎም፡ 20ትዕግስቲ ኣምላኽ ብመዓልትታት ኖህ ምስ ተጸበየት፡ እታ መርከብ ክትስራሕ ከላ፡ ብእኣ ሒደት፡ ማለት ሾሞንተ ነፍሲ፡ ብማይ ዝደሓናላ፡ ነቶም ቀደም ዘይኣመኑ ሰበኸሎም። 21እቲ ማይ ድማ ሕጂ ብተምሳሉ፡ ማለት ጥምቀት፡ የድሕነኩም ኣሎ፡ እዚ ኸኣ ብትንሳኤ የሱስ ክርስቶስ ልማኖ ሰናይ ሕሊና ናብ ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ምሕጻብ ርስሓት ስጋ ኣይኰነን። 22ንሱ ናብ ሰማይ ዓሪጉ ኣብ የማን ኣምላኽ ኣሎ፡ ንእኡ መላእኽቲ ስልጣናትን ሓይልታትን ይግዝእዎ ኣለዉ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
1ይ ጴጥሮስ ምዕራፍ 4
1-2ደጊም ክርስቶስ ምእንታና ሓሳረ መከራ ካብ ጸገበስ፡ ብስጋኡ መከራ ዝጸግብ፡ ንሱ ንሓጢኣት ሓዲግዎ እዩ እሞ፡ እቲ ብስጋ ዝተረፈ ዘመን ንፍቓድ ኣምላኽ እምበር፡ ንፍትወት ሰብ ምእንቲ ከይትነብሩ፡ ንስኻትኩምውን ነዚ ሓሳብ እዚ ከም ኣጽዋር ጌርኩም ሓዝዎ። 3እቲ ብዕብዳን፡ ብፍትወት ስጋ፡ ብስኽራን፡ ብጓይላ፡ ብመስተ፡ ብርኹስ ምምላኽ ጣኦት ክትነብሩ ኸሎኹም፡ ፍቓድ ኣህዛብ ዝገበርኩምሉ ዝሓለፈ ዘመን ይኣክል እዩ። 4ናብቲ ዕያግ ርኽሰት ምሳታቶም ስለ ዘይጐየኹም፡ እናተጻረፉ ብእኡ ይግረሙ ኣለዉ። 5ንሳቶም ነቲ ንህያዋንን ንምዉታትን ክፈርድ ተዳልዩ ዘሎ፡ ጸብጻብ ክህብዎ እዮም። 6ከምቲ ናይ ሰብ ብስጋ ኮይኖም ክፍረዱ፡ ከምቲ ናይ ኣምላኽ ግና ብመንፈስ ኮይኖም ብህይወት ምእንቲ ክነብሩ ኢሉ እዩ ንምዉታት ድማ ብስራት እተነግረ።
7ግናኸ መወዳእታ ኩሉ ነገር ቀሪቡ። ስለዚ ርእስኹም ግትኡ ንጸሎትውን ንቕሑ። 8ፍቕሪ ብዝሒ ሓጢኣት ትኸድን እያ እሞ፡ ቅድሚ ኩሉ ኣብ ንሓድሕድኩም ሃልሃል እትብል ፍቕሪ ትሃልኹም። 9ብዘይ ምዕዝምዛም ንሓድሕድኩም ግሽነት ተቓባበሉ። 10ነፍሲ ወከፍ ከምቲ እተቐበሎ ውህበት ጸጋ፡ ከም ሕያዎት መገብቲ ናይቲ ብዙሕ ዝዓይነቱ ጸጋ ኣምላኽ ንሓድሕድኩም ኣገልግሉ። 11ዝነግር እንተ ዀነ፡ ከም ቃል ኣምላኽ ገይሩ ይንገር፡ ዘገልግል እንተ ዀነውን፡ ከምቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ሓይሊ ገይሩ የገልግል። ኣምላኽ ብየሱስ ክርስቶስ ብዅሉ ምእንቲ ክኸብር፡ ንእኡ ክብርን ስልጣንን ንዘለኣለመ ኣለም ይዀኖ። ኣሜን።
12ኣቱም ፍቁራተይ፡ በቲ ንምፍታን ዝረኽበኩም ዘሎ ዋዒ ሓዊ፡ ሓደ ሓድሽ ነገር ከም ዝበጽሓኩም ኴንኩም፡ ኣይትገረሙ። 13ብምግላጽ ግርማኡ ድማ ክትሕጐሱን ባህ ክትብሉን ኢኹም እሞ፡ ኣብቲ ስቓይ ክርስቶስ ሕቡራት ካብ እትዀኑስ፡ ተሓጐሱ ደኣ። 14ምእንቲ ስም ክርስቶስ እንተ ተጸረፍኩም፡ እቲ ናይ ክብርን ናይ ኣምላኽን መንፈስ ኣባኻትኩም ይሓድር እዩ እሞ፡ ብጹኣን ኢኹም። 15ሓደ ኻባኻትኩም ከም ቀታሊ፡ ወይስ ከም ሰራቒ፡ ወይስ ከም ገባር እከይ፡ ወይስ ኣብ ነገር ካልኦት ከም ዝጽምበር ኰይኑ መከራ ኣይጽገብ። 16ከም ክርስትያን መከራ እንተ ጸገበ ግና፡ ስለ እዚ ስም እዚ ንኣምላኽ የመስግኖ እምበር፡ ኣይሕፈር።
17እቲ ፍርዲ ኣብ ቤት ኣምላኽ፡ ዝጅምረሉ ግዜ መጺኡ እዩ እሞ፡ ቅድም ኣባና ካብ ዝጅምርሲ፡ እቶም ንወንጌል ኣምላኽ ዘይእዘዙ ደኣ መወዳእታኦም እንታይ ክኸውን እዩ፧ 18እቲ ጻድቕ ብሓይለ ገደል ዝድሕን ካብ ዝኸውን፡ እቲ ዓማጽን ሓጥእን ደኣ ኣበይ ክርአ እዩ፧ 19ስለዚውን እቶም ከም ፍቓድ ኣምላኽ ኰይኖም ሓሳረ መከራ ዝጸግቡ ዘለዉ፡ ሰናይ እናገበሩ ንነፍሶም ኣብቲ እሙን ፈጣሪ ደኣ የማሕጽንዋ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
1ይ ጴጥሮስ ምዕራፍ 5
1እምብኣርሲ ነቶም ኣብ ማእከልኩም ዘለዉ ሽማግሌታት፡ ኣነ መሸማግልቶም፡ ብስቓይ ክርስቶስ ድማ መስካሪ፡ ኣብቲ ደሓር ክግለጽ ዘለዎ ክብሪውን ተማቓሊ እየ እሞ፡ እምዕዶም ኣሎኹ፡ 2ነቲ ምሳኻትኩም ዘሎ መጓሰ ኣምላኽ ጓስይዎ፡ ብፍታው ከም ፍቓድ ኣምላኽ እምበር፡ ብግዲ ኣይኹን፡ ብታሕጓስ እምበር፡ ምእንቲ ከንቱ ረብሓውን ኣይኹን፡ 3ነቲ መጓሰ ኣርኣያ እናዀንኩምዎ እምበር፡ ኣብተን ማሕበራት ከም ጐይቶት ኣይትኹኑ። 4እቲ ሓለቓ ጓሶት ምስ ተገልጸ ድማ፡ ዘይጽምሉ ኣኽሊል ክብሪ ክትቅበሉ ኢኹም።
5ኣቱም መንእሰይ፡ ከምኡ ነቶም ዝዓብዩኹም ተገዝእዎም። ኣምላኽ ንዕቡያት ይመዓቶም፡ ንትሑታት ግና ጸጋ ይህቦም እዩ እሞ፡ ኵላትኩም ንሓድሕድኩም ምእንቲ ክትግዝኡ፡ ትሕትና ተዓጠቑ። 6ደጊም ብግዜኡ ንሱ ልዕል ምእንቲ ከብለኩም፡ ኣብ ትሕቲ እታ ጽንዕቲ ኢድ ኣምላኽ ትሕት በሉ። 7ንሱ ይሓልየልኩም እዩ እሞ፡ ንዅሉ ሓልዮትኩም ኣብኡ ኣውድቕዎ።
8ድያብሎስ፡ እቲ መጻርርትኹም፡ ዝውሕጦ ደልዩ ኸም ዝጓዝም ኣንበሳ ኮይኑ ይዘውር ኣሎ እሞ፡ ተጠንቀቑ፡ ንቕሑ። 9እዚ ሓሳረ መከራ እዚ ነቶም ኣብ ዓለም ዘለዉ ኣሕዋትኩም ይበጽሖም ከም ዘሎ እናፈለጥኩም፡ ብእምነት ጸኒዕኩም ተቓወምዎ።
10እቲ ብክርስቶስ የሱስ ናብ ናይ ዘለኣለም ክብሩ ዝጸወዓኩም ኣምላኽ ኵሉ ጸጋ፡ ቅሩብ ግዜ ሓሳረ መከራ ምስ ጸገብኩም፡ ንሱ ኽፍጽመኩም፡ ከበርትዓኩም፡ ክስርተኩምውን እዩ። 11ንዘለኣለም ኣለም ንእኡ ክብርን ስልጣንን ይኹን። ኣሜን።
12ብስልዋኖስ፡ ንኣይ ከም ዝመስለኒ እሙን ሓዉና ገይረ፡ እናመኸርኩኹም፡ እዚ ደው ኢልኩምሉ ዘሎኹም ናይ ሓቂ ጸጋ ኣምላኽ ምዃኑ እናመስከርኩ፡ ቅሩብ ጽሒፈልኩም ኣሎኹ። 13እታ መተሓርይትኹም ኣብ ባቢሎን ዘላ ማሕበርን ማርቆስ ወደይን ሰላም ይብሉኹም አለዉ። 14ብናይ ፍቕሪ ምስዕዓም ንሓድሕድኩም ሰላም ተባሃሃሉ።
ብክርስቶስ የሱስ ዘሎኹም ኵላትኩም ሰላም ይሃልኹም። ኣሜን።
ካልአይቲ መልእኽቲ ጴጥሮስ
1 2 3
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
2ይ ጴጥሮስ ምዕራፍ 1
1ስምኦን ጴጥሮስ፡ ናይ የሱስ ክርስቶስ ባርያን ሃዋርያን፡ ናብቶም ማዕረ እታ ናትና ዝኽብረታ እምነት ብጽድቂ ኣምላኽናን ብመድሓኒናን የሱስ ክርስቶስን እተመቕሉ፡ 2ብፍልጠት ኣምላኽናን ጐይታናን የሱስን ኣባኻትኩም ጸጋን ሰላም ይብዛሕ።
3እቲ ብፍልጠት ክብሩን ደግነቱን ዝጸውዓና ኣምላኻዊ ሓይሉ ንህይወትን ንፍርሃት እግዚኣብሄርን ዝኸውን ኵሉ ኻብ ዝህበና፡ 4ብእኡ እታ ኽብርትን ዓባይን ተስፋ ዝረኸብና፡ ኣብ ዓለም ብፍትወት ስጋ ኻብ ዘሎ ጥፍኣት ወጺእኩም፡ ተማቐልቲ እቲ ኣምላኻዊ ባህርይ ምእንቲ ክትኰኑ፡ 5ብትግሃት ዘበለ ተጋደሉ፡ ኣብ እምነትኩም ደግነት ወስኹ፡ ኣብቲ ደግነትውን ፍልጠት፡ 6ኣብታ ፍልጠት ከኣ ምግታእ ርእስኻ፡ ኣብቲ ምግታእ ርእስኻ ድማ ዓቕሊ፡ ኣብቲ ዓቕሊውን ፍርሃት እግዚኣብሄር፡ 7ኣብ ፍርሃት እግዚኣብሄር ድማ ምፍቃር ኣሕዋት፡ ኣብቲ ምፍቃር ኣሕዋትውን ፍቕሪ ንዅሉ ሰብ። 8እዚ ነገርዚ እንተ ኣሎኩም፡ እናማዕበለውን እንተ ኸደ፡ ንምፍላጥ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ሃካያትን ዘየፍርዩን ክትኰኑ ኣይሓድገኩምን እዩ። 9እቲ እዚ ነገርዚ ዘይብሉስ፡ ካብቲ ናይ ቀደም ሓጢኣቱ ምጽራይ ዝረስዐ፡ ዕዉር፡ ነቲ ኣብ ቀረባ ዘሎ ጥራይ ዝርኢ እዩ። 10ስለዚ፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ ንጽውዓኹምን ምሕራይኩምን ከተጽንዕዎ ኣዚኹም ተጋደሉ። እዚ እንተ ገበርኩምሲ፡ ከቶ ኣይከተንደልህጹን ኢኹም። 11ከምኡውን ናይቲ ናይ ጐይታናን መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስ ዘለኣለማዊ መንግስቲ ምእታው ብምልኣት ክውሃበኩም እዩ።
12ስለዚ ምንም እኳ እንተ ፈለጥኩምዎ፡ ኣብቲ ዘሎኩም ሓቂውን እንተ ጸናዕኩም፡ ነዚ ነገርዚ ኵሉ ግዜ ከዘክረኩም ሓሳበይ እዩ። 13-14ከምቲ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ዝገለጸለይ ከኣ፡ እቲ ምቕንጣጥ ድንኳነይ ቀልጢፉ ከም ዝኸውን ስለ ዝፈለጥኩ፡ ኣብዚ ድንኳን እዚ ኽሳዕ ዘሎኹ፡ ብምዝካር ከንቅሓኩም ቅኑዕ ኰይኑ ይርኣየኒ ኣሎ። 15ግናኸ ድሕሪ ስንብታይ ከኣ ኵሉ ግዜ ነዚ ክትዝክርዎ ኢለ እጽዕር ኣሎኹ። 16ነቲ ናይ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ሓይልን ምጽኣትን ክንነግረኩም ከሎና፡ ነቲ ናይ ግርማኡ ብዓይንና ዝርኣናዮ ምስክር ኴንና ኢና እምበር፡ እተጣበብዎ ጽውጽዋያት ኣይሰዓብናን። 17ካብቲ ግኑን ግርማ ክብሪ፡ ብእኡ ዝሰመርኩ ፍቑር ወደይ እዚ እዩ፡ ዝብል ድምጺ ምስ መጸ፡ ንሱ ኻብ እግዚኣብሄር ኣቦና ክብርን ግርማን ተቐበለ። 18ኣብቲ ቅዱስ ከረን ምስኡ ኸሎና ኸኣ፡ ንሕና ባዕላትና ነዚ ድምጺ እዚ ኻብ ሰማይ ክመጽእ ከሎ ሰሚዕናዮ ኢና።
19ኣዝዩ ዝጸንዐ ቓል ትንቢት ከኣ ኣሎና፡ ምድሪ ክሳዕ ዝወግሕ፡ ኰዀብ ጽባሕውን ኣብ ልብኹም ክሳዕ ዝወጽእ፡ ኣብቲ ስፍራ ጸልማት ከም ዘብርህ መብራህቲ ጌርኩም እንተ ኣስተብሃልኩምሉ፡ ሰናይ ትገብሩ ኣሎኹም። 20ኵሉ ጽሑፍ ትንቢት ትርጉሙ ኻብ ርእሱ ከም ዘይኰነ፡ ቅድሚ ኩሉ እዚ ፍለጡ። 21ትንቢትሲ ቅዱሳት ሰባት እዮም ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም ካብ ኣምላኽ እተዛረብዎ እምበር፡ ከቶ ብፍቓድ ሰብ ኣይመጸን።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
2ይ ጴጥሮስ ምዕራፍ 2
1ግናኸ ነብያት ሓሶት ድማ ኣብ ማእከል እቲ ህዝቢ ተንሲኦም ነበሩ፡ ከምኡ ኸኣ ኣብ ማእከልኩም መምህራን ሓሶት ክትንስኡ እዮም፡ ናብ ርእሶም ቅልጡፍ ጥፍኣት እናምጽኡ ድማ፡ ክሳዕ ነቲ እተሻየጦም ጐይታ እኳ ክኽሕድዎ እዮም፡ ንሳቶም ናይ ጥፍኣት ምፍልላይ ኣስሊኾም ከእትዉ እዮም። 2ብዙሓት ድማ ብርኽሰቶም ክስዕብዎም እዮም፡ ብሰሮምውን እታ መገዲ ሓቂ ክትጽረፍ እያ። 3ብስስዐ ብዘረባ ጥበራ ገይሮም፡ መናገዲ ክገብሩኹም እዮም፡ ፍርዶም ካብ ቀደም ኣይዓርፍን ጥፍኣቶምውን ኣይድቅስን እዩ።
4ኣምላኽ ግና ነቶም ሓጢኣት ዝገበሩ መላእኽቲ እኳ ናብ ገሃነም ደርብዩ፡ ብመቝሕ ጸልማት ተኣሲሮም ንፍርዲ ክሕለዉ ኣሕሊፉ ሃቦም እምበር፡ ካብ ዘይነሓፎም፡ 5ነታ ቐዳመይቲ ዓለም ድማ ካብ ዘይነሓፋስ፡ ናብታ ናይ ሓጥኣን ዓለም ማይ ኣይሂ ምስ ኣውረደ ከኣ፡ ንኖህ ሰባኽ ጽድቂ ሳምናይ ርእሱ ሓለዎ። 6ነቶም ደሓር ዝመጹ በደለኛታት መሰክሒ ገይርወን፡ ንኸተማታት ሶዶምን ጎሞራን ሓሙዅስቲ ገይርወን ንምግምጣል ፈረደን። 7ነቲ ብኣበሳኦምን ብርኹስ ንብረቶምን ዝስቀ ዝነበረ ሎጥ ጻድቕ ግና ኣድሓኖ፡ 8ማለት፡ እቲ ጻድቕ ኣብ ማእከሎም ክነብር ከሎ፡ ኣብ ጸጽባሕ በቲ ዝርእዮን ዝሰምዖን ዝነበረ ግብሪ ዓመጻኦም፡ እታ ጻድቕ ነፍሱ ትስቀ ነበረት። 9እምብኣርስኸ ጐይታ ነቶም ፈራህቲ እግዚኣብሄር ካብ ፈተና ከውጽኦም፡ ንገበርቲ ዓመጻ ግና እናቐጽዐ ንመዓልቲ ፍርዲ ክሕልዎም ይፈልጥ እዩ። 10ምናዳ ግና ነቶም ብርኹስ ትምኒት ደድሕሪ ስጋ ዝኸዱ፡ ንጕይትነት ከኣ ዝንዕቁ፡ ደፋራት፡ ፈተውቲ ርእሶም፡ ንኽብርታት ክጸርፉ ዘየንቀጥቅጡ፡ 11መላእኽቲ እኳ ብሓይልን ብስልጣንን ዝበልጹ ክነሶምሲ፡ ኣብ ቅድሚ ጐይታ ንኣታቶም ዝጻረር ፍርዲ ጸርፊ ኣየምጽኡን እዮም። 12እዚኣቶም ግና ከምታ ንማእሰርትን ንጥፍኣትን እተፈጥረት በሃም እንስሳ እዮም፡ ነቲ ዘይፈልጥዎ እናጸረፉ ብጥፍኣቶም ክጠፍኡ እዮም፡ 13ዓስቢ ዓመጻኦምውን ክቕበሉ እዮም። ነቲ ናይ ዕለት ሕንቃቐ ኸም ጥዑም ንብረት ገይሮም ይርእይዎ። ርኹሳትን ነውራማትን እዮም፡ ብምጥባሮም እናተቐለቡ ምሳኻትኩም ኣብ መኣዲ ይበልዑ ኣለው። 14ዝሙት ዝመልኦ ኻብ ሓጢኣት ከኣ ዘየቛርጻ ኣዒንቲ ኣለዋኦም፡ ነተን ዘይጸንዓ ነፍሳት ይሓብልወን፡ ስስዐ ዝለመደ ልቢ ኣለዎም፡ ደቂ መርገም እዮም። 15ነታ ቅንዕቲ መገዲ ሓዲጎም ተጋገዩ፡ መገዲ እቲ ዓስቢ ዓመጻ ዝፈተወ በልኣም ወዲ ቦሶር ሰዓቡ። 16ስለ ኣበሳኡ ግና መግናሕቲ ተቐበለ፡ በሃም ኣድጊ ጽዕነት ብድምጺ ሰብ ተዛረበት፡ ንጽላለ እቲ ነብዪ ከኣ ዓገተት። 17ንሳቶም ማይ ዘይብሉ ዔላታት ህቦብላ ዝኽብክቦ ግመን እዮም፡ ንኣታቶም ግብ ዝበለ ጸልማት ንዘለኣለም ተኣኪብሎም ኣሎ። 18ከንቱ ዝዀነ ዘረባ ትዕቢት እናተዛረቡ ብፍትወት ስጋን ብርኽሰትን ነቶም ካብቶም ብስሕተት ዝነብሩ ሕጂ ቕሩብ ዘምለጡ ይሓባብሉ፡ 19እተሳዕረ ሰብ ነቲ ዝሰዓሮ ባርያኡ ይዀኖ እዩ እሞ፡ ንሳቶም ንርእሶም ባሮት ጥፍኣት ክነሶም፡ ሓራ ክትወጹ ኢኹም እናበሉ፡ የተስፍውዎም ኣለዉ። 20ብፍልጠት ጐይታናን መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስ ካብታ ርኽሰት ዓለም ኣምሊጦም፡ ከም ብሓድሽ ብእኣ ተጠሊፎም እንተ ተሳዕሩ፡ ካብ ቀዳማዮምሲ ዳሕራዮም ዝገደደ እዩ ዝኸውን። 21ማለት፡ ንሳቶም እናፈለጥዋ ካብቲ እተዋህቦም ቅዱስ ትእዛዝ ንድሕሪት ካብ ዝምለሱስ፡ ነታ መገዲ ጽድቂ እንተ ዘይፈልጥዋ ምሓሾም ነይሩ። 22ከምቲ እቲ ምስላ ሓቂ፡ ከልቢ ናብ ትፍኡ ተመልሰ፡ ሓሰማውን ተሓጺባስ ኣብ ጸብሪ ኣንገርገረት፡ ዝብሎ በጺሕዎም ኣሎ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
2ይ ጴጥሮስ ምዕራፍ 3
1-2ኣቱም ፍቁራተይ፡ እዛ ሕጂ ዝጽሕፈልኩም ዘሎኹ ካልኣይቲ ደብዳበይ እያ፡ ቀደም ብቕዱሳት ነብያት እተባህለ ቃልን ብሃዋርያትኩም ካብ ጐይታናን መድሓኒናን ዝረኸብኩምዎ ትእዛዝን ምእንቲ ክትዝክሩ ኢለ፡ ብኽልቲኣተን እናኣዘከርኩኹም ነቲ ግሩህ ሓሳብኩም ኣንቅሖ ኣሎኹ። 3ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ከም ፍትወት ርእሶም ዝመላለሱን ዘላግጹ መላገጽትን ከም ዝመጹ፡ ቅድሚ ኩሉ እዚ ፍለጡ። 4ንሳቶም ከኣ፡ ተስፋ ምጽኣቱ ደኣ ኣበይ ኣሎ ፧ ካብታ ኣቦታትና ዝደቀሱላ መዓልቲ፡ ካብ መጀመርታ ፍጥረት ሒዙ ኵሉ ኸምቲ ዝነበሮ እዩ ዘሎ፡ ክብሉ እዮም። 5ሰማያት ካብ ጥንቲ ብቓል ኣምላኽ ከም ዝነበረ፡ ምድሪውን ካብ ማይን ብማይን ምዃና፡ ነዚ ፈትዮም ይርስዕዎ ኣለዉ። 6እታ ሽዑ ዝነበረት ዓለም ብእኡ፡ ነቲ ማይ፡ ተሰጢማ ጠፍአት። 7እቲ ሕጂ ዘሎ ሰማያትን ምድርን ግና ብቓሉ ተዓቝሩ ኣሎ፡ ክሳዕ መዓልቲ ፍርድን ክሳዕ ጥፍኣት እቶም ንእግዚኣብሄር ዘይፈርሁ ሰባትን ንሓዊ ይሕሎ ኣሎ።
8ግናኸ፡ ኣቱም ፍቁራተይ፡ ኣብ እግዚኣብሄር ሓንቲ መዓልቲ ኸም ሽሕ ዓመት፡ ሽሕ ዓመትውን ከም ሓንቲ መዓልቲ ምዃኑ፡ እዛ ሓንቲ ነገር እዚኣ ኣይትሰወርኩም። 9ጐይታስ፡ ኵላቶም ናብ ንስሓ ክበጽሑ እምበር፡ ሓደ እኳ ክጠፍእ ዘይፈቱ ስለ ዝዀነ፡ ምእንታኻትኩም ይዕገስ ኣሎ እምበር፡ ከምቲ ንገሊኣቶም ዝድንጕ ዝመስሎም፡ ንተስፋኡ ኣየደንጕዮን እዩ። 10መዓልቲ ጐይታ ግና ከም ሰራቒ ዀይና ክትመጽእ እያ፡ ብእኣ ሰማያት ጥዋዕዋዕ እናበለ ክሓልፍ እዩ፡ ፍጥረት ሰማይ ብረስኒ ክመክኽ፡ ምድርን ኣብኣ ዘሎ ግብርታትን ክነድድ እዩ። 11-12ደጊም እዚ ዅሉ ዝፈላለ ካብ ኰነ፡ ስሊኡ ሰማያት ብሓዊ መኺኹ ዝፈላለየሉ፡ ፍጥረት ሰማያት ብረስኒ ዝመከሉ፡ ነቲ ምጽኣት መዓልቲ ኣምላኽ እናተጸበኹምዎን እናኣቐልጠፍኩምዎን ብቕዱስ ንብረትን ብፍርሃት እግዚኣብሄርን ከመይ ዝበሉ ክትኰኑ እዩ ዝግብኣኩም። 13ንሕና ግና፡ ከምቲ ተስፋኡ፡ ጽድቂ ዝነብረሉ ሓድሽ ሰማያት ሓድሽ ምድርን ንጽበ ኣሎና።
14ስለዚ ኸኣ፡ ኣቱም ፍቁራተይ፡ ነዚ እናተጸበኹምሲ፡ ብዘይ ነውርን ብዘይ መንቅብን ብሰላም ኣብ ቅድሚኡ ኽትርከቡ ተጋደሉ። 15ከምቲ እቲ ፍቁር ሓውና ጳውሎስ ድማ በቲ እተዋህቦ ጥበብ ዝጸሓፈልኩም፡ ነቲ ትዕግስቲ ጐይታና ንምድሓንኩም ቍጸርዎ። 16ንሱ ኣብ ኵላተን ደብዳቤታቱ ድማ ነዚ ነገር እዚ ክዛረበሉ ከሎ፡ ኣብኡ ንምስትውዓሉ ዝሽግር ሓያሎ ነገር ኣሎ። እቶም ደናቝርትን ዘይጽኑዓትን፡ ከምቲ ነቲ ኻልእ ጽሑፋት ንጥፍኣት ርእሶም ዝጠዋወይዎ ገይሮም ይጠዋውይዎ ኣለዉ።
17ደጊም፡ ኣቱም ፍቁራተይ፡ ነዚ ቕድም እናፈለጥኩምሲ፡ ብስሕተት እቶም ስዲ ዝኸዱ ዘለዉ ተስሒብኩም ካብ ጽንዓት ከይትወድቁ ተሓለዉ። 18ብጸጋን ብፍልጠት ጐይታናን መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስ ደኣ ዕበዩ። ንእኡ ሕጅን ዘለኣለምን ክብሪ ይኹኖ። ኣሜን።
ቀዳመይቲ መልእኽቲ ዮሃንስ
1 2 3 4 5
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
1ይ ዮሃንስ ምዕራፍ 1
1እቲ ኻብ መጀመርታ ዝነበረ፡ ንሕና ዝሰማዕናዮ፡ እቲ በዒንትና ዝርኣናዮ፡ እቲ ዝጠመትናዮ፡ ኣእዳውናውን ዘረምሰሳኦ፡ ብዛዕባ እቲ ቓል ህይወት፡ 2ህይወት ድማ ተገልጸት፡ ነታ ምስ ኣቦ ዝነበረት ንኣና ኸኣ እተገልጸት ናይ ዘለኣለም ህይወት ርኢናያ ኢና እሞ፡ ንምስክር ንነግረኩምውን ኣሎና፡ 3ንስኻትኩም ድማ ምሳና ሕብረት ምእንቲ ኽህልወኩም ኢልና፡ እቲ ዝርኣናዮን ዝሰማዕናዮን ንዓኻትኩም ንነግሮ ኣሎና። ሕብረትናውን ምስ ኣቦን ምስ ወዱ የሱስ ክርስቶስን እዩ። 4ሓጐስና ምእንቲ ኽምላእ ኢልና፡ እዚ ንጽሕፈልኩም ኣሎና።
5እግዚኣብሄር ብርሃን ምዃኑን ኣብኡ ኸኣ ሓንቲ እኳ ጸልማት ከም ዘይብሉን፡ እታ ኻብኡ ዝሰማዕናያ ንኣኻትኩምውን እንነግራ ዘሎና መልእኽቲ እዚኣ እያ። 6ምስኡ ሕብረት ኣሎና፡ ኢልናስ ኣብ ጸልማት እንተ ተመላለስና፡ ንሕሱ፡ ሓቂውን ኣይንገብርን ኢና ዘሎና። 7ከምቲ ንሱ ኣብ ብርሃን ዘሎ፡ ኣብ ብርሃን እንተ ተመላለስና ግና፡ ንሓድሕድና ሕብረት ኣሎና፡ ደም የሱስ ክርስቶስ ወዱውን ካብ ኵሉ ሓጢኣት የንጽሃና እዩ። 8ሓጢኣት የብልናን፡ እንተ በልና፡ ንርእስና ንጥብራ ኣሎና፡ እታ ሓቂውን ኣባና የላን። 9ሓጢኣትና እንተ ተናዘዝና፡ ንሓጢኣትና ይቕረ ክብለልና፡ ካብ ኵሉ ዓመጻውን ከንጽሃና እሙንን ጻድቕን እዩ። 10ሓጢኣት ኣይገበርናን፡ እንተ በልና፡ ሓሳዊ ንገብሮ፡ ቃሉውን ኣባና የሎን።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
1ይ ዮሃንስ ምዕራፍ 2
1ኣቱም ደቀየ፡ ሓጢኣት ምእንቲ ኸይትገብሩ፡ እዚ እጽሕፈልኩም ኣሎኹ። ሓደ እኳ ሓጢኣት ዝገበረ እንተሎ፡ ጠበቓ ኣብ ኣቦ ኣሎና፡ ንሱ የሱስ ክርስቶስ፡ እቲ ጻድቕ፡ እዩ። 2ንሱ ድማ ብናይ ሓጢኣትና መተዓረቒ እዩ፡ ብናይ ሓጢኣት ኵላ ዓለም ድማ እዩ እምበር፡ ብናይ ሓጢኣትና ጥራይ ኣይኰነን።
3ንሕና ትእዛዛቱ እንተ ሓሎና፡ ከም እንፈልጦ በዚ ኢና እንፈልጥ። 4ኣነ እፈልጦ እየ፡ ዝብል ንትእዛዛቱ ኸኣ ዘይሕልዎ፡ ንሱ ሓሳዊ እዩ፡ እታ ሓቂውን ኣብኡ የላን። 5እቲ ንቓሉ ዝሕሉ ግና ፍቕሪ ኣምላኽ ብሓቂ ኣብኡ ትፍጸም። ኣብኡ ኸም ዘሎና፡ በዚ ኢና እንፈልጥ። 6እቲ፡ ኣብኡ እነብር ኣሎኹ፡ ዝብል፡ ከምቲ ንሱ እተመላለሶ፡ ንሱውን ከምኡ ዀይኑ ኽመላለስ ይግብኦ እዩ።
7ፍቁራተየ፡ እቲ ኻብ መጀመርታ ዝነበረኩም ብሉይ ትእዛዝ እምበር፡ ሓድሽ ትእዛዝ ኣይኰነን ዝጽሕፈልኩም ዘሎኹ። እቲ ብሉይ ትእዛዝ እዚ ዝሰማዕኩምዎ ቓል እዩ። 8ከም ብሓድሽ ብእኡን ብኣኻትኩምን ሓቂ ዝዀነ ሓድሽ ትእዛዝ እጽሕፈልኩም ኣሎኹ። ጸልማት ሓሊፉ እዩ እሞ፡ እቲ ብርሃን ሓቂውን ድሮ እኳ የብርህ ኣሎ። 9ኣብ ብርሃን ኣሎኹ፡ ዝብል፡ ንሓዉ ኸኣ ዝጸልእ፡ ክሳዕ ሕጂ ኣብ ጸልማት እዩ ዘሎ። 10እቲ ንሓዉ ዘፍቅሮ ኣብ ብርሃን እዩ ዝነብር፡ መዐንቀፊውን ኣብኡ የልቦን። 11እቲ ንሓዉ ዝጸልእ ግና ኣብ ጸልማት እዩ ዘሎ፡ ኣብ ጸልማትውን ይመላለስ፡ ጸልማት ነዒንቱ ስለ ዘዕወሮ ድማ፡ ናበይ ከም ዝኸይድ ኣይፈልጥን እዩ።
12ደቀየ፡ ሓጢኣትኩም ስለ ስሙ ተሓዲጉልኩም እዩ እሞ፡ እጽሕፈልኩም ኣሎኹ። 13ኣቱም ኣቦታት፡ ነቲ ኻብ መጀመርታ ዝነበረ ፈሊጥኩምዎ ኢኹም እሞ፡ እጽሕፈልኩም ኣሎኹ። ኣቱም ኣጕባዝ፡ ነቲ እኩይ ስዒርኩምዎ ኢኹም እሞ፡ እጽሕፈልኩም ኣሎኹ። ኣቱም ቈልዑ፡ ነቦ ስለ ዝፈለጥኩምዎ፡ ጽሒፈልኩም ኣሎኹ። 14ኣቱም ኣቦታት፡ ነቲ ኻብ መጀመርታ ዝነበረ ፈሊጥኩምዎ ኢኹም እሞ፡ ጽሒፈልኩም ኣሎኹ። ኣቱም ኣጕባዝ፡ ብርቱዓት ስለ ዝዀንኩም ቃል ኣምላኽ ኣባኻትኩም ይነብር ስለ ዘሎን፡ ነቲ እኩይውን ስዒርኩምዎ ኢኹም እሞ፡ ጽሒፈልኩም ኣሎኹ። 15ንዓለም ወይስ ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ኣይትፍተዉ። ሓደ እኳ ንዓለም እንተ ፈተዋ፡ ፍቕሪ ኣቦ የብሉን። 16ኵሉ እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ፡ ፍትወት ስጋን ፍትወት ኣዒንትን ንብረት ትዕቢትን፡ እዚ ኻብ ዓለም እዩ እምበር፡ ካብ ኣቦስ ኣይኰነን። 17ዓለም ትሓልፍ እያ፡ ፍትወታ ኸኣ፡ እቲ ንፍቓድ ኣምላኽ ዝገብር ግና ንዘለኣለም ይነብር።
18ደቀየ፡ እዚኣ እታ ዳሕረይቲ ሰዓት እያ። ከምቲ፡ እቲ ጸረ ክርስቶስ ከም ዝመጽእ፡ ዝሰማዕኩምዎ፡ ካብ ሕጂውን ብዙሓት ኣጽራር ክርስቶስ ተንሲኦም ኣለዉ። እዚኣ እታ ዳሕረይቲ ሰዓት ምዃና በዚ ኢና እንፈልጥ። 19ካባና ወጺኦም፡ ግናኸ ካባና ኣይነበሩን። ካባና ነይሮም እንተ ዝዀኑስ፡ ምሳና ጸኒዖም ምነበሩ ነይሮም። ግናኸ ኵላቶም ካባና ዘይምዃኖም ምእንቲ ኽገሓሃድ እዮም ዝወጹ። 20ንስኻትኩም ድማ ቅብኣት ካብቲ ቅዱስ ኣሎኹም፡ ንዅሉውን ትፈልጥዎ ኢኹም። 21ነታ ሓቂ ትፈልጥዋ ስለ ዘሎኹም እየ ዝጸሓፍኩልኩም እምበር፡ ስለ ዘይትፈልጥዋስ ኣይኰንኩን፡ ኵሉ ሓሶትውን ካብ ሓቂ ኣይኰነን። 22እቲ ንየሱስ፡ ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ ዝኽሕዶ እንተ ዘይኰይኑኸ፡ መን እዩ እቲ ሓሳዊ፧ እቲ ነቦን ወድን ዝኽሕዶም፡ ንሱ እዩ እቲ ጸረ ክርስቶስ። 23ነቲ ወዲ ዝኽሕዶ ዘበለ ዅሉ፡ ንእኡ እቲ ኣቦ የብሉን፡ ነቲ ወዲ እተኣመነ ግና፡ እቲ ኣቦ ኣለዎ። 24ንስኻትኩምሲ፡ እቲ ኻብ መጀመርታ ዝሰማዕኩምዎ ኣባኻትኩም ደኣ ይንበር። እቲ ኻብ መጀመርታ ዝሰማዕኩምዎ ኣባኻትኩም ዝነብር እንተ ዀይኑስ፡ ንስኻትኩም ድማ ኣብቲ ወድን ኣብቲ ኣቦን ክትነብሩ ኢኹም። 25እታ ንሱ ዘተስፈወና ተስፋ ኸኣ እታ ናይ ዘለኣለም ህይወት እያ። 26ብዛዕባ እቶም ዘስሕቱኹም እየ እዚ ዝጸሓፍኩልኩም። 27ንስኻትኩምሲ፡ ከምቲ ቕብኣት ብዛዕባ ዅሉ ዝምህረኩም ዘሎ፡ ሓቂውን እዩ፡ ሓሶት ኣይኰነን፡ እሞ ኸምቲ ንሱ ዝመሃረኩም ኴንኩም፡ ኣብኡ ኽትነብሩ ኢኹም። እምብኣርከ እቲ ኻብኡ እተቐበልኩምዎ ቕብኣት ኣባኻትኩም ይነብር ኣሎ እሞ፡ ሓደ እኳ ኽምህረኩም ኣየድልየኩምን እዩ። 28ሕጂ ድማ፡ ደቀየ፡ ንሱ ኽግለጽ ከሎ፡ ትብዓት ምእንቲ ኽንረክብ፡ ብምጽኣቱውን ኣብ ቅድሚኡ ኸይንሓፍርስ፡ ብእኡ ንበሩ። 29ንሱ ጻድቕ ምዃኑ ትፈልጡ እንተ ዄንኩምሲ፡ ጽድቂ ዝገብር ዘበለ ዅሉ ኻብኡ ኸም እተወልደውን፡ ፍለጡ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
1ይ ዮሃንስ ምዕራፍ 3
1ርኣዩ፡ ውሉድ ኣምላኽ ክንብሃል፡ እቲ ኣቦ ኸመይ ዝበለ ፍቕሪ ሃበና፡ ከምኡውን ኢና። ስለዚ ኸኣ ዓለም ንእኡ ኣይፈለጠቶን እሞ፡ ንኣና ኣይትፈልጠናን እያ። 2ኣቱም ፍቁራተይ፡ ሕጂ ውሉድ ኣምላኽ ኢና፡ እንታይ ከም እንኸውን ከኣ፡ ገና ኣይተገልጸን። ንሱ ምስ ዝግለጽ ግና፡ ከምታ ዘለዋ ኽንርእዮ ኢና እሞ፡ ንእኡ ኸም እንመስል፡ ንፈልጥ ኣሎና። 3እዛ ተስፋ እዚኣ ኣብኡ ዘላቶ ዘበለ ዅሉ፡ ከምታ ንሱ ንጹህ ዝዀነ፡ ንርእሱ የንጽህ ኣሎ።
4ነፍሲ ወከፍ ሓጢኣት ዝገብር፡ ምፍራስ ሕጊ እዩ ዝገብር። ሓጢኣት ምፍራስ ሕጊ እዩ እሞ፡ 5ንሱ ንሓጢኣት ከርሕቖ ኢሉ ኸም እተገልጸ፡ ትፈልጡ ኢኹም። ኣብኡውን ሓጢኣት የልቦን። 6እቲ ኣብኡ ዝነብር ዘበለ ዅሉ፡ ሓጢኣት ኣይገብርን እዩ። ነፍሲ ወከፍ ሓጢኣት ዝገብር ኣይረኣዮን ኣይፈልጦንውን። 7ደቀየ፡ ሓደ እኳ ኣየስሕትኩም። ከምቲ ንሱ ጻድቕ ዝዀነ፡ እቲ ጽድቂ ዝገብር ከኣ ጻድቕ እዩ። 8ድያብሎስ ካብ መጀመርታ ሓጢኣት ይገብር እዩ እሞ፡ ሓጢኣት ዝገብር ካብ ድያብሎስ እዩ። ወዲ ኣምላኽ ከኣ ግብሪ ድያብሎስ ምእንቲ ኸፍርስ ኢሉ እዩ ነዚ እተገልጸ። 9ካብ ኣምላኽ እተወልደ ዘበለ፡ ዘርኡ ኣብኡ ይነብር እዩ እሞ፡ ሓጢኣት ኣይገብርን እዩ። ካብ ኣምላኽ ስለ እተወልደውን፡ ሓጢኣት ክገብር ኣይኰነሉን እዩ። 10ጽድቂ ዘይገብር ንሓዉ ዘየፍቅርን ካብ ኣምላኽ ኣይኰነን፡ ውሉድ ኣምላኽን ውሉድ ድያብሎስን በዚ እዮም ዝግለጹ። 11ንሓድሕድና ክንፋቐር፡ እዚኣ እታ ካብ መጀመርታ ዝሰማዕኩምዋ መልእኽቲ እያ። 12ከምቲ ኻብ እኩይ ዝነበረ፡ ንሓዉ ኸኣ ዝቐተለ ቃየል ኣይንኹን። ስለ ምንታይከ እዩ ዝቐተሎ፧ ግብሩ እኩይ፡ ግብሪ ሓዉ ግና ሰናይ ስለ ዝነበረ እዩ።
13ኣሕዋተየ፡ ዓለም እንተ ጸልኣትኩም፡ ኣይትገረሙ። 14ንሕና፡ ነሕዋት ነፍቅሮም ስለ ዝዀንና፡ ካብ ሞትሲ ናብ ህይወት ከም እተሳገርና፡ ንፈልጥ ኣሎና። እቲ ዘየፍቅር ግና ኣብ ሞት ይነብር። 15ንሓዉ ዝጸልእ ዘበለ ዅሉ ቐታል ነፍሲ እዩ። ቀታል ነፍሲ ዝዀነ ዅሉ ድማ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣብኡ ኸም ዘይትነብር፡ ትፈልጡ ኢኹም። 16ንሱ ንህይወቱ ኣብ ክንዳና ስለ ዘሕለፈ፡ በዚ ንፍቕሪ ንፈልጣ ኣሎና። ንሕናውን ኣብ ክንዲ ኣሕዋት ህይወትና ከነሕልፍ ይግብኣና እዩ። 17ግናኸ ዝዀነ ይኹን ጥሪት እዛ ዓለም እዚኣ ዘለዎ እሞ ሓዉ ተሸጊሩ ኸሎ እናረኣዮስ ድንጋጹ ዝዓጽወሉ፡ ፍቕሪ ኣምላኽ ከመይ ኢላ ኣብኡ ትነብር፧ 18ኣቱም ደቀየ፡ ብግብርን ብሓቅን እምበር፡ ብቓልን ብልሳንን ኣይንፋቐር። 19-20ምንም እኳ ልብና እንተ ነቐፈና፡ ኣምላኽ ካብ ልብና ዝዓብን ኵሉ ዝፈልጥን ስለ ዝዀነ፡ ንልብና ኣብ ቅድሚኡ ነህድኣዮ እሞ፡ ካብ ሓቂ ምዃንና በዚ ኢና እንፈልጥ። 21ኣቱም ፍቁራተይ፡ ልብና እንተ ዘይነቐፈና፡ ኣብ ኣምላኽ ትብዓት ኣሎና። 22ንትእዛዛቱ እንሕሉን ኣብ ቅድሚኡ ባህ ዘብሎ እንገብርን ስለ ዝዀንና፡ ነቲ እንልምኖ ዘበለ ኻብኡ ንቕበል ኢና። 23ከምቲ ንሱ ዝሃበና ትእዛዝ ጌርና፡ ብስም ወዱ የሱስ ክርስቶስ ክንኣምን ንሓድሕድናውን ክንፋቐር፡ ትእዛዙ እዚ እዩ። 24እቲ ትእዛዛቱ ዝሕሉ ድማ ኣብኡ ይነብር፡ ንሱውን ኣብኡ ይነብር። ንሱ ኣባና ኸም ዝነብር ከኣ፡ ንሕና በቲ ዝሃበና መንፈስ ንፈልጥ ኢና።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
1ይ ዮሃንስ ምዕራፍ 4
1ኣቱም ፍቁራተይ፡ ብዙሓት ነብያት ሓሶት ናብ ዓለም ወጺኦም ኣለዉ እሞ፡ እቶም መናፍስቲ ኻብ ኣምላኽ እንተ ዀይኖም መርምሩ እምበር፡ ንመንፈስ ዘበለ ዅሉ ኣይትእመንዎ። 2ንመንፈስ ኣምላኽ በዚ ኢኹም እትፈልጥዎ፡ የሱስ ክርስቶስ ብስጋ ኸም ዝመጸ ዝእመን ዘበለ ዅሉ መንፈስ ካብ ኣምላኽ እዩ፡ 3የሱስ ክርስቶስ ብስጋ ኸም ዝመጸ ዘይእመን ዘበለ ዅሉ መንፈስ ድማ ካብ ኣምላኽ ኣይኰነን። እዚ ኸኣ እቲ ኸም ዝመጽእ ሰሚዕኩምዎ ዘሎኹም ናይ ጸረ ክርስቶስ መንፈስ እዩ፡ ሕጂውን ድሮ ኣብ ዓለም ኣሎ። 4ኣቱም ደቀየ፡ ንስኻትኩም ካብ ኣምላኽ ኢኹም፡ ካብቲ ኣብ ዓለም ዘሎስ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ ዝዓቢ ስለ ዝዀነ፡ ንስኻትኩም ስዒርኩምዎም ኣሎኹም። 5ንሳቶምሲ ኻብ ዓለም እዮም፡ ስለዚ ኻብ ዓለም ይዛረቡ ኣለዉ፡ ዓለምውን ትሰምዖም ኣላ። 6ንሕና ኻብ ኣምላኽ ኢና፡ ንኣምላኽ ዝፈልጥ ይሰምዓና፡ እቲ ኻብ ኣምላኽ ዘይኰነ ኣይሰምዓናን እዩ። ንመንፈስ ሓቅን ንመንፈስ ስሕተትን ከኣ በዚ ኢና እንፈልጦ።
7ኣቱም ፍቁራተይ፡ ፍቕሪ ኻብ ኣምላኽ እያ እሞ፡ ንሓድሕድና ንፋቐር። ዘፍቅር ዘበለ ዅሉ ኻብ ኣምላኽ እተወልደ እዩ፡ ንኣምላኽውን ይፈልጦ እዩ። 8ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ እሞ፡ እቲ ዘየፍቅር ንኣምላኽ ኣይፈልጦን እዩ። 9ኣምላኽ፡ ብእኡ ምእንቲ ብህይወት ክንነብር ኢሉ፡ ነቲ ሓደ ወዱ ናብ ዓለም ብምልኣኹ፡ እታ ፍቕሪ ኣምላኽ ንኣና በዚ ተገልጸትልና። 10ኣምላኽ ባዕሉ ስለ ዘፍቀረና፡ ብናይ ሓጢኣትና መተዓረቒ ክኸውን ኢሉ ድማ ወዱ ስለ ዝሰደደልና እዩ እምበር፡ ንሕና ንኣምላኽ ስለ ዘፍቀርናዮ ኣይኰነን፡ እታ ፍቕሪ በዚ እያ። 11ኣቱም ፍቁራተይ፡ ኣምላኽ ከምዚ ገይሩ ኻብ ኣፍቀረናስ፡ ንሕናውን ንሓድሕድና ኽንፋቐር ይግብኣና እዩ። 12ሓደ እኳ ንኣምላኽ ዝረኣዮ ከቶ የልቦን፡ ንሓድሕድና እንተ ተፋቐርና፡ ኣምላኽ ኣባና ይነብር፡ ፍቕሩውን ኣባና ትፍጸም።
13ካብ መንፈሱ ስለ ዝሃበና፡ ንሕና ኣብኡ ኸም እንነብር ንሱውን ኣባና ኸም ዝነብር፡ በዚ ኢና እንፈልጥ። 14እቲ ኣቦ ንወዱ ምድሓን ዓለም ክኸውን ከም ዝለኣኾ፡ ንሕና ርኢና ንምስክርውን ኣሎና። 15የሱስ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ዝእመን፡ ኣምላኽ ኣብኡ ይነብር፡ ንሱውን ኣብ ኣምላኽ ይነብር። 16ንሕናውን ነታ ኣምላኽ ኣባና ዘላቶ ፍቕሪ ፈሊጥናያን ኣሚንናያን ኣሎና። ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ፡ እቲ ኣብ ፍቕሪ ዝነብር ከኣ ኣብ ኣምላኽ ይነብር፡ ኣምላኽውን ኣብኡ ይነብር። 17ከምቲ ንሱ ዘለዎ፡ ከምእውን ንሕና ኣብዛ ዓለም እዚኣ ኢና ዘሎና እሞ፡ ብመዓልቲ ፍርድስ ትብዓት ምእንቲ ክህልወና፡ በዚ እታ ፍቕሪ ኣባና ተፈጸመት። 18ፍርሃትሲ ስቓይ እያ እተምጽእ፡ እቲ ዝፈርህ ከኣ ብፍቕሪ ፍጹም ኣይኰነን፡ እታ ፍጽምቲ ፍቕሪ ንፍርሃት ተባርራ ደኣ እምበር፡ ኣብታ ፍቕርስ ፍርሃት የልቦን። 19ንሱ ቅድም ኣፍቂሩና እዩ እሞ፡ ንሕናውን ነፍቅር ኢና። 20ነቲ ዝረኣዮ ሓዉ ዘየፍቅሮስ፡ ነቲ ዘይረኣዮ ኣምላኽ ከፍቅሮ ኣይከኣሎን እዩ እሞ፡ ንሓዉ እናጸልኦስ፡ ንኣምላኽ ኣፍቅሮ እየ፡ ዝብል እንተሎ፡ ንሱ ሓሳዊ እዩ። 21እቲ ንኣምላኽ ዘፍቅሮ ንሓዉ ድማ የፍቅሮ ደኣ፡ እዚ ትእዛዝ እዚ እዩ ኻብኡ እተቐበልናዮ።
1ንየሱስ፡ ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ ዝኣምን ዘበለ ዅሉ ኻብ ኣምላኽ እተወልደ እዩ፡ ንወላዲ ዘፍቅሮ ዅሉ ኸኣ፡ ነቲ ኻብኡ እተወልደውን የፍቅሮ። 2ንኣምላኽ ምስ እነፍቅሮ ትእዛዛቱውን ምስ እንሕሉ፡ ነቶም ውሉድ ኣምላኽ ከም እነፍቅሮም፡ በዚ ኢና እንፈልጥ። 3ፍቕሪ ንኣምላኽ ከኣ ትእዛዛቱ ኽንሕሉ እዩ እሞ፡ ትእዛዛቱውን ኣይከቢድን እዩ። 4ካብ ኣምላኽ እተወልደ ዘበለ ዅሉ ንዓለም ይስዕራ፡ እታ ንዓለም እንስዕረላ ስዕረት ከኣ፡ ንሳ እምነትና እያ። 5ንዓለም ዝስዕራኸ፡ እቲ ንየሱስ፡ ንሱ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ዝኣምኖ እንተ ዘይኰይኑስ፡ መን እዩ፧ 6እቲ ብማይን ብደምን ዝመጸ እዚ እዩ፡ ማለት፡ የሱስ ክርስቶስ፡ ብማይን ብደምን እምበር፡ ብማይ ጥራይ ኣይኰነን ዝመጸ። 7እቲ መንፈስውን ሓቂ እዩ እሞ፡ እቲ መንፈስ እዩ ዝምስክር ዘሎ። 8እቶም ዝምስክሩ ኸኣ መንፈስን ማይን ደምን፡ ሰለስተ እዮም እሞ፡ ሰለስቲኦም ሓደ እዮም። 9እቲ ብዛዕባ ወዱ ዝመስከሮ ምስክር፡ እዚ እቲ ምስክር ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ምስክር ሰብ እንቕበል እንተ ዄንናስ፡ ምስክር ኣምላኽ ካብኡ ይበልጽ እዩ። 10ብወዲ ኣምላኽ ዝኣምን፡ እቲ ምስክር ኣብ ውሽጡ ኣለዎ። እቲ ንኣምላኽ ዘይኣምን፡ ነቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ወዱ ዝመስከሮ ምስክር ስለ ዘይኣመኖ፡ ንእኡ ሓሳዊ ገይርዎ ኣሎ። 11ኣምላኽ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዝሃበና፡ እቲ ምስክር እዚ እዩ እሞ እዛ ህይወት እዚኣ ኣብ ወዱ ኣላ። 12እቲ ወዲ ዘለዎ ህይወት ኣላቶ፡ ወዲ ኣምላኽ ዘይብሉ ህይወት የብሉን።
13ንኣኻትኩም ብስም ወዲ ኣምላኽ እትኣምኑ ዘሎኹም፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዘላትኩም ምእንቲ ኽትፈልጡ ኢለ እየ እዚ ጽሒፈልኩም ዘሎኹ። 14ከምቲ ፍቓዱ ጌርና ሓደ ነገር እንተ ለመንናዮ፡ ይሰምዓና እዩ፡ እቲ ኣብኡ ዘሎና ትብዓት ድማ እዚ እዩ። 15ነቲ ዝለመንናዮ ዘበለ ኸም ዝሰምዓና ኻብ እንፈልጥ ድማ፡ እቲ ካብኡ ዝለመንናዮ ልማኖ ድሮ ኸም ዝረኸብናዮ፡ ንፈልጥ ኢና። 16ሓደ፡ ንሓዉ ናብ ሞት ዘየብጽሕ ሓጢኣት ኽገብር እንተ ረኣዮ፡ ይለምን፡ ኣምላኽውን ነቶም ናብ ሞት ዘየብጽሕ ሓጢኣት ዝገበሩስ ህይወት ክህቦም እዩ። ናብ ሞት ዘብጽሕ ሓጢኣት ኣሎ፡ ብዛዕባዚ ኣይኰንኩን ይለምን ዝብል ዘሎኹ። 17ዓመጻ ዘበለ ዅሉ ሓጢኣት እዩ፡ ናብ ሞት ዘየብጽሕ ሓጢኣት ኣሎ።
18እቲ ኻብ ኣምላኽ እትወልደ ዘበለ ርእሱ ይሕሉ፡ እቲ እኩይውን ኣይትንክዮን እዩ እምበር፡ እቲ ኻብ ኣምላኽ እተወልደስ፡ ሓጢኣት ከም ዘይገብር፡ ንፈልጥ ኢና። 19ካብ ኣምላኽ ምዃንና፡ ብዘላ ዓለምውን በቲ እኩይ ተትሒዛ ምህላዋ ንፈልጥ ኢና። 20ግናኸ እቲ ወዲ ኣምላኽ መጺኡስ ነቲ ብዓል ሓቂ ኽንፈልጦ ኢሉ ኣእምሮ ኸም ዝሃበና፡ ንፈልጥ ኢና፡ ንሕና ኣብቲ ብዓል ሓቂ፡ ኣብ ወዱ የሱስ ክርስቶስ ኢና ዘሎና። እዚ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽን ናይ ዘለኣለም ህይወትን እዩ። 21ኣቱም ደቀየ፡ ካብ ጣኦታት ተሓለዉ።
ካልአይቲ መልእኽቲ ዮሃንስ
ብ/ኪ ሓ/ኪ
1ካብቲ ሽማግለ ናብታ ሕርይቲ እምቤተይን ናብቶም ኣነ ብሓቂ ዘፍቅሮም ደቃን፡ ኣነ በይነይ ዘይኰንኩስ፡ እቶም ነታ ሓቂ ዝፈልጥዋ ዘበሉ ዅላቶም ድማ ዘፍቅርዎም፡ 2ስለ እታ ኣባና ዘላ ንዘለኣለም ከኣ ምሳና እትነብር ሓቂ ኢልና እነፍቅሮም ዘሎና። 3ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ካብ የሱስ ክርስቶስ ወዱ ነቦን ጸጋን ምሕረትን ሰላምን ብሓቅን ብፍቕርን ምሳና ክኸውን እዩ።
4ሓያሎ ኻብ ደቅኺ ኸምቲ ኻብ ኣቦ እተቐበልናዮ ትእዛዝ ኰይኖም፡ ብሓቂ ዝመላለሱ ስለ ዝረኸብኩ፡ ብዙሕ እሕጐስ ኣሎኹ። 5ሕጂ ድማ፡ እምቤተይ፡ እቲ ኻብ መጀመርታ ዝነበረና እምበር፡ ሓድሽ ትእዛዝ ከም ዝጸሓፍኩልኪ ዘይኰነስ፡ ንሓድሕድና ኽንፋቐር እልምነኪ ኣሎኹ። 6ከምቲ ትእዛዛቱ ጌርና ኽንመላለስ፡ እታ ፍቕሪ እዚኣ እያ። ብእኣ ኽትመላለሱ፡ ከምቲ ኻብ መጀመርታ ዝሰማዕኩምዎ፡ እቲ ትእዛዝ እቲ እዚ እዩ። 7የሱስ ክርስቶስ ብስጋ ኸም ዝመጸ ዘይእመኑ ብዙሓት ምስሓትቲ ናብ ዓለም ወጺኦም ኣለዉ። እቲ መስሓትን እቲ ጸረ ክርስቶስን እዚ እዩ። 8ምሉእ ዓስቢ ኽትቅበሉ እምበር፡ ነቲ ዝጸዓርናሉ ምእንቲ ኸይተጥፍእዎ፡ ርእስኹም ሓልዉ። 9እቲ ጐቦ ዝዘብል፡ ብምህሮ ክርስቶስውን ዘይጸንዕሲ፡ ኣምላኽ የብሉን። እቲ ኣብቲ ምህሮ ዝጸንዕ፡ ንሱ ኣቦን ወድን ኣለውዎ። 10ዝዀነ ይኹን ናባኻትኩም እንተ መጸ እሞ ነዚ ምህሮ እዚ እንተ ዘይኣምጽአ፡ ኣብ ቤትኩም ኣይትቀበልዎ፡ ሰላምውን ኣይትበልዎ። 11እቲ ሰላም ዝብሎስ ኣብቲ እኩይ ግብሩ ሓቢርዎ እዩ።
12ናባኻትኩም ዝጽሕፎ ብዙሕ ነገር ነይሩኒ ኽነሱ፡ ብወረቐትን ብቐለምን ክጽሕፎ ኣይፈቶኹን። ግናኸ ሓጐሰይ ምእንቲ ክምላእሲ፡ ናባኻትኩም ክመጽእ እሞ ኣፍ ንኣፍ ክዛረበኩም፡ ተስፋ እገብር ኣሎኹ። 13ደቂ እታ ሕርይቲ ሓብቲኺ ሰላም ይብሉኺ ኣለዉ።
ሳልሰይቲ መልእኽቲ ዮሃንስ
ብ/ኪ ሓ/ኪ
1ካብቲ ሽማግለ ናብቲ ፍቁር፡ ኣነ ብሓቂ ዘፍቅሮ ጋይዮስ።
2ኣታ ፍቁር፡ ከምቲ ነፍስኻ ዝጠዓየት፡ ብዅሉ ደሓን ክትህሉን ክትጥዕን እምነየልካ ኣሎኹ። 3ንስኻ በታ ሓቂ ትመላለስ ከም ዘሎኻ፡ ኣሕዋት መጺኦም ስለ እታ ኣባኻ ዘላ ሓቂ ብምምስካሮም ብዙሕ ተሓጐስኩ። 4ኣነ እቶም ደቀይ ብሓቂ ኸም ዝመላለሱ ኻብ ምስማዕ ዝዓቢ ሓጐስ የብለይን።
5ኣታ ፍቁረይ፡ እቲ ነቶም ኣሕዋትን ኣጋይስን እትገብሮ ዘሎኻ ዘበለ ተኣሚንካ ትገብሮ ኣሎኻ። 6እዚኣቶም ብናይ ፍቅርኻ ኣብ ቅድሚ ማሕበር መስኪሮም ኣለዉ። ንኣምላክ ከም ዝበቅዕ ጌርካ ንመገዶም እንተ ኣፋኖኻዮም ድማ፡ ሰናይ ትገብር ኣሎኻ። 7ንሳቶም ካብቶም ኣህዛብ ሓንቲ እኳ ኸይወሰዱ ምእንቲ እቲ ስም እቲ እዮም ዝወጹ። 8እምብኣርስኸ፡ ነታ ሓቂ መዓይይታ ምእንቲ ኽንከውን፡ ንሕና ነዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ ኽንቅበሎም ይግብኣና እዩ።
9ኣነ ናብታ ማሕበር ሓደ ነገር ጽሒፈ ኣሎኹ፡ እቲ ኣውራኦም ክኸውን ዝደሊ ድዮትሬፌስ ግና ኣይቅበለናን እዩ። 10ስለዚ፡ እንተ መጻእኩ፡ ኣነ ነቲ ንሱ ብእኩይ ዘረባ እናጸረፈና ዝገብሮ ዘሎ ግብሪ ኸዘክሮ እየ። በዚ ድማ ምእካል ኣብይዎስ፡ ባዕሉ ነቶም ኣሕዋት ኣይቕበሎምን፡ ነቶም ክቕበልዎም ዝደልዩ ኸኣ ይኽልክሎም ካብ ማሕበርውን የውጽኦም ኣሎ። 11ኣታ ፍቁረይ፡ ነቲ ሰናይ ደኣ እምበር፡ ነቲ እኩይሲ ኣይትቃጸጾ። እቲ ሰናይ ዝገብር ካብ ኣምላኽ እዩ፡ እቲ እኩይ ዝገብር ንኣምላኽ ኣይረኣዮን። 12ንድሜጥሮስ ኵላቶም ይምስክሩሉ ኣለዉ፡ እታ ሓቂ ባዕላ ድማ ትምስክረሉ ኣላ። ንሕናውን ንምስክረሉ ኣሎና፡ ምስክርና ሓቂ ምዃና ድማ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ።
13-14ቀልጢፈ ኽርእየካ ተስፋ እገብር ኣሎኹ፡ ሽዑ ኣፍ ንኣፍ ክንዛራረብ ኢና እምበር፡ ብዙሕ ዝጽሕፈልካ ነይሩኒ፡ ግናኸ ብቐለምን ብርዕን ክጽሕፈልካ ኣይፈቶኹን። 15ሰላም ምሳኻ ይኹን። እቶም ፍቁራትና ሰላም ይብሉኻ ኣለዉ። ነቶም ፍቁራትና በብስሞም ሰላም በሎም።
መልእኽቲ ይሁዳ
ብ/ኪ ሓ/ኪ
1ይሁዳ ባርያ የሱስ ክርስቶስ ሓዉ ያእቆብን፡ ናብቶም ጽውዓት፡ ብእግዚኣብሄር ኣቦና ፍቁራትን ንየሱስ ክርስቶስ እተሓለዉን፡ 2ምሕረትን ሰላምን ፍቕርን ይብዛሕኩም።
3ኣቱም ፍቁራተይ፡ ብዛዕባ ሕብረት ምድሓንና ብዅሉ ቕንኣት ክጽሕፈልኩም ምስ ደለኹ፡ በታ ሓንሳእ ንቕዱሳት እተዋህበት እምነት ክትጋደሉ ጽሒፈ ኽመኽረኩም፡ ናይ ግዲ ዀነኒ። 4ገለ ሰባት ካብ ቀደም ነዚ ፍርዲ እዚ እተጻሕፉ፡ ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብሎም፡ ነቲ ጸጋ ኣምላኽና ናብ ርኽሰት ዝልውጥዎ፡ ነቲ ሓደ በይኑ ገዛእን ጐይታናን የሱስ ክርስቶስ ዝኽሕድዎ፡ ስሉኽ ኢሎም ኣትዮምኹም ኣለዉ።
5ግናኸ ሓደ ግዜ እኳ ንዅሉ ፈሊጥኩምዎ ኽነስኹምሲ፡ ጐይታ ንህዝቡ ኻብ ምድሪ ግብጺ ኣድሒኑ፡ ደሓር ነቶም ዘይኣመኑ ኸም ዘጥፍኦም፡ ከዘክረኩም እደሊ ኣሎኹ። 6ነቶም ሰፈሮም ዝሓደጉ እምበር፡ መዓርጎም ዘይሓለዉ መላእኽቲ እኳ ብናይ ዘለኣለም መቓውሕ ደኣ ትሕቲ ጸልማት ነቲ ፍርዲ እታ ዓባይ መዓልቲ ዓቝርዎም ኣሎ። 7ከምኡውን ሶዶምን ጎሞራን እተን ኣብ ከባቢአን ዝነበራ ኸተማታትን፡ ከተማታቶም ብመገዶም ዝመንዘራ ደድሕሪ ስጋ ጓናውን ዝሰዓባ፡ በቲ ዝወረደን ቅጽዓት ናይ ዘለኣለም ሓዊ ንመሰክሒ ዀይነን ኣለዋ።
8ምስናይዚ ኸኣ እዚኣቶም ከምኡ ገይሮም ብሕልሞም ንስጋኦም የርክስዎ፡ ንጕይትነት የቃልሉ፡ ንመዓርጋት ክብሪውን ይጸርፉ ኣለዉ። 9ሚካኤል፡ እቲ ሊቀ መላእኽቲ፡ ግና ብዛዕባ ስጋ ሙሴ ምስ ድያብሎስ እናተኻራኸረ ምስ ተማጐተ፡ እግዚኣብሄር ይግናሕካ፡ ደኣ በሎ እምበር፡ ፍርዲ ጸርፊ ኽዛረብ ኣይደፈረን። 10እዚኣቶም ግና ነቲ ዘይፈልጥዎ ይጸርፍዎ፡ በቲ ብባህርዮም ከምቶም ኣእምሮ ዘይብሎም እንስሳታት ገይሮም ዝፈልጥዎ ብእኡ ነታ ርእሶም የጥፍእዋ አለዉ። 11ብመገዲ ቃየል ስለ ዝኸዱ፡ ምእንቲ ዓስቢ ብስሕተት በላዓም ጸደፉ፡ ብዕልወት ቆራ ኸኣ ጠፊኦም እዮም እሞ፡ ወይለኦም።
12እዚኣቶም ብዘይ ፍርሃት ምሳኻትኩም እናበልዑ ንርእሶም ዝጓስዩ፡ ኣብቲ ናይ ፍቕሪ መኣድኹም ጻያቒቶ እዮም፡ ንፋስ ንየው ነጀው ዝደፍኦ፡ ማይ ዘይብሉ ደበና፡ ዘይፈርያ፡ ክልተ ሳዕ ዝሞታ፡ ካብ ሱረን እተመንቈሳ ኣእዋም ሓጋይ፡ 13ነቲ ነውሪ ርእሶም ዘዕፍርዎ ብርቱዓት ማዕበል ባሕሪ፡ ብርግርግ ዝብሉ ኸዋኽብቲ እዮም፡ ነዚኣቶም ግብ ዝበለ ጸልማት ንዘለኣለም ተዓቝሩሎም ኣሎ።
14-15ሄኖክ፡ እቲ ሳብዓይ ካብ ኣዳም፡ ነዚኣቶም፡ እንሆ፡ ጐይታ ንዅላቶም ክፈርዶም ኢሉ ምስ ኣእላፋት ቅዱሳቱ መጺኡ ኣሎ፡ ነቶም ፍርሃት እግዚኣብሄር ዘይብሎም ኵላቶም ድማ ብዛዕባ እቲ ዝገበርዎ ዅሉ እኩይ ግብርን ብዛዕባ እቲ ሓጥኣንን ገፋዕትን ብዛዕብኡ እተዛረብዎ ዘበለ ዅሉ ዘረባ ድርቅናን ክቐጽዖም እዩ፡ ኢሉ ተነበየሎም። 16እዚኣቶም መዕዘምዘምቲ፡ ንዕድሎም ዝነቕፉ፡ ከም ፍትወቶም ዝመላለሱ እዮም። ኣፎም ቃል ትዕቢት ይዛረብ፡ ምእንቲ ጥቕሚ ርእሶም ከኣ ንገጽ ሰብ ይንእዱ።
17-18ንስኻትኩም ግና፡ ኣቱም ፍቁራተይ፡ ነቲ እቶም ሃዋርያት ጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ኣብቲ ዳሕራይ ዘመን ብእኩይ ፍትወቶም ዝመላለሱ፡ መላገጽቲ ኽትንስኡ እዮም፡ ኢሎም ቅድም ዝነገሩኹም ቃላት ዘክርዎ። 19እዚኣቶም ምፍልላይ ዘምጽኡ፡ መንፈስ ዘይብሎም ስጋውያን እዮም። 20ንስኻትኩም ግና፡ ኣቱም ፍቁራተይ፡ በታ ኻብ ኵሉ እተቐደሰት እምነትኩም ንርእስኹም እናሃነጽኩም፡ ብመንፈስ ቅዱስውን እናጸለኹም፡ 21ነቲ ናብ ህይወት ዘለኣለም ዘብጽሕ ምሕረት ጐይታና የሱስ ክርስቶስ እናተጸበኹምሲ፡ ንርእስኹም ብፍቕሪ ኣምላኽ ሓልውዋ። 22ንገሊኦም፡ ነቶም ዝጣራጠሩ፡ ኣረድእዋም። 23ንገሊኦም ካብ ሓዊ መንጢልኩም ኣናግፍዎም፡ ንገሊኦም ድማ፡ ነቲ ብስጋ ዝረኸሰ ኽዳን እኳ እናጸላእኩም፡ ብፍርሃት ደንግጹሎም።
24ነቲ ኻብ ውድቀት ዘበለ ክሕልወኩም፡ ብሓጐስውን ብዘይ ነውሪ ኣብ ቅድሚ ኽብሩ ከቝመኩም ዝከኣሎ፡ 25ነቲ ብየሱስ ክርስቶስ፡ ጐይታና፡ በይኑ መድሓኒና ዝዀነ ኣምላኽ ቅድሚ ዅሉ ዘመናትን ሕጅን ንዅሉ ዘለኣለም ክብሪ፡ ግርማ፡ ሓይሊ፡ ስልጣን ይኹኖ። ኣሜን።
ራእይ ዮሃንስ
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ራ.ዮሃንስ ምዕራፍ 1
1እቲ ቐልጢፉ ኽኸውን ዘለዎ፡ ንባሮቱ ምእንቲ ኸርእዮም ኢሉ፡ ኣምላኽ ዝሃቦ ናይ የሱስ ክርስቶስ ራእይ፡ ብኢድ መልኣኹ ልኢኹውን ንባርያኡ ዮሃንስ ኣርአዮ። 2ንሱ ንቓል ኣምላኽን ንምስክር የሱስ ክርስቶስን፡ ነቲ ዝረኣዮ ዘበለ ዅሉ መስኪሩ ኣሎ። 3እቲ ዘመን ቀረባ እዩ እሞ፡ እቲ ነዚ ቓል ትንቢት እዚ ዘንብብን እቶም ዝሰምዕዎን፡ ነቲ ኣብኡ ተጻሒፉ ዘሎውን ዝሕልውዎን ብጹኣን እዮም።
4-5ዮሃንስ ነተን ኣብ እስያ ዘለዋ ሾብዓተ ማሕበራት፡ ካብቲ ዘሎን ዝነበረን ዝመጽእን፡ ካብቶም ኣብ ቅድሚ ዝፋኑ ዘለዉ ሾብዓተ መናፍስትን ካብቲ እሙን ምስክርን በዅሪ ምዉታትን ርእሲ ነገስታት ምድሪ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ከኣ ጸጋን ሰላምን ምሳኻትኩም ይኹን። ንእኡ፡ ነቲ ዘፍቅረና ዘሎ፡ ካብ ሓጢኣትናውን ብደሙ ዝሓጸበና፡ 6ንእግዚኣብሄር ኣቦኡ መንግስትን ካህናትን ክንኰኖ ዝገበረና፡ ክብርን ስልጣንን ንዘለኣለመ ኣለም ንእኡ ይኹን። ኣሜን።
7እንሆ፡ ብደበና ይመጽእ ኣሎ፡ ኵለን ኣዒንትን እቶም ዝወግእዎን ከኣ ክርእይዎ እዮም፡ ብዘለዉ ዓሌታት ምድሪውን ክበኽዩሉ እዮም። እወ፡ ኣሜን።
8ኣልፋን ኦሜጋን ኣነ እየ፡ ይብል እቲ ዘሎን ዝነበረን ዝመጽእን ኵሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
9ኣነ ዮሃንስ ሓውኩምን ኣብቲ ኣብ የሱስ ዘሎ ጸበባን መንግስትን ትዕግስትን መማቕልትኹምን፡ ምእንቲ ቓል ኣምላኽን ምእንቲ ምስክር የሱስን ኣብታ ጳጥሞስ እትብሃል ደሴት ነበርኩ። 10-11ብመዓልቲ ጐይታ ብመንፈስ ኰንኩ፡ ብድሕረይ ከኣ፡ ነዚ እትርእዮ ዘሎኻ፡ ኣብ መጽሓፍ ጽሒፍካ፡ ናብተን ኣብ ኤፌሶንን ስሚርናን ጴርጋሞስን ትያቲራን ሳርዴስን ፊላደልፍያን ሎዲቅያን ዘለዋ ሾብዓተ ማሕበራት ስደዶ፡ ዝብል ከም ናይ መለኸት ዝበለ ብርቱዕ ድምጺ ሰማዕኩ። 12ነቲ ዝዛረበኒ ዘሎ ድምጺ ኽርኢ ኸኣ ግልጽ በልኩ። ግልጽ ምስ በልኩውን፡ ሾብዓተ ቐወምቲ ቐንዴል ወርቂ ርኣኹ። 13ኣብ ማእከል እቶም ሾብዓተ ቐወምቲ ቐንዴል ከኣ፡ ክሳዕ እግሩ እተኸድነ ብቕናት ወርቂውን ክሳዕ ኣፍ ልቡ እተዓጥቀ ወዲ ሰብ ዝመስል ርኣኹ። 14ርእሱን ጸጕሩን ጻዕዳ ኸም ጸምሪ ጻዕዳውን ከም ኣስሓይታ እዩ፡ ኣዒንቱውን ከም ሃልሃልታ ሓዊ እየን፡ 15ኣእጋሩ ኣብ ሓጐዶ ኸም ዝረሰነ ዘንጸባርቕ ኣስራዚ ሊባኖስ ይመስላ፡ ድምጹውን ከም ደሃይ ብዙሕ ማያት እዩ። 16ኣብ የማናይ ኢዱ ሾብዓተ ኸዋኽብቲ ኣለውዎ፡ ካብ ኣፉውን ክልተ ዝኣፉ በሊሕ ሰይፊ ይወጽእ፡ ትርኢቱውን ከምታ ብሓይሊ እተብርህ ጸሓይ እዩ።
17-18ምስ ርኣኽዎ ድማ፡ ከም ምዉት ኰይነ ኣብ ኣእጋሩ ወደቕኩ። ንሱ የማናይ ኢዱ ኣንበረለይ፡ ከምዚ እናበለ፡ ኣነ እቲ ቐዳማይን እቲ ዳሕራይን እቲ ህያውን እየ እሞ፡ ኣይትፍራህ። ሞይተውን ነበርኩ፡ እንሆ ኸኣ፡ ንዘለኣለመ ኣለም ህያው እየ፡ መርሖ ሞትን ሲኦልን ከኣ ኣሎኒ። 19እምብኣርሲ ነቲ ዝርኣኻዮን ነዚ ዘሎን ነቲ ድሕርዚ ዝኸውንን ጽሓፎ። 20ምስጢር እቶም ኣብ የማናይ ኢደይ ዝርኣኻዮም ሾብዓተ ኸዋኽብትን ናይተን ሾብዓተ ቐወምቲ ቐንዴል ወርቅን፡ እቶም ሾብዓተ ኸዋኽብቲ እቲኣቶም መላእኽቲ እተን ሸብዓተ ማሕበራት እዮም፡ እተን ሾብዓተ ቐወምቲ ቐንዴልውን ሾብዓተ ማሕበራት እየን።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ራ. ዮሃንስ ምዕራፍ 2
1ናብ መልኣኽ ማሕበር ኤፌሶን ጽሓፍ፡ እቲ ኣብ የማናይ ኢዱ ሾብዓተ ኸዋኽብቲ ዝሓዘ፡ ኣብ ማእከል እተን ሾብዓተ ቐወምቲ ቐንዴል ወርቂውን ዝመላለስ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ 2ግብርኻን ጻዕርኻን ትዕግስትኻን፡ ነቶም እኩያት ሰባትውን ክትጾሮም ከም ዘይከኣልካን፡ ነቶም ሃዋርያት ኢና ዝብሉ እሞ ዘይኰኑ፡ ተዓዚብካዮምሲ ሓሰውቲ ዀይኖም ከም ዝረኸብካዮምን፡ እፈልጥ ኣሎኹ። 3ትዕግስቲ ኸኣ ኣሎካ፡ ስለ ስመይ ኢልካውን ተጻወርካ፡ ኣይሰልከኻን። 4ግናኸ ነታ ቐዳመይቲ ፍቕርኻ ሓዲግካያ ኢኻ ኣሞ እዚ ረኺበልካ ኣሎኹ። 5እምብኣርሲ ኻበይ ከም ዝወደቕካ ዘክር እሞ ተነሳሕ፡ ነቲ ቐዳማይ ግብሪውን ግበሮ። እንተ ዘይኰነስ ክመጸካ፡ እንተ ዘይተነሳሕካውን፡ ነቲ ቐዋሚ ቐንዴልካ ኻብቲ ስፍራኡ ኸዝብሎ እየ። 6ግናኸ ነቲ ኣነውን ዝጸልኦ ዘሎኹ ግብሪ ኒቆላውያን ንስኻ ትጸልኦ ኢኻ እሞ እዚ ግዳ ኣሎካ። 7እዝኒ ዘላቶ እቲ መንፈስ ንማሕበራት ዝብለን ዘሎ ይስማዕ። ነቲ ዝስዕር ካብታ ኣብ ገነት ኣምላኽ ዘላ ኦም ህይወት ክበልዕ ክህቦ እየ።
8ናብ መልኣኽ ማሕበር ስሚርናውን ጽሓፍ፡ እቲ ቐዳማይን ዳሕራይን፡ ሞይቱ ዝነበረን ህያው ዝዀነን ከምዚ ይብል ኣሎ፡ 9ጸበባኻን ድኽነትካን ፡— ግናኸ ሃብታም ኢኻ ፡— ጸርፊ እቶም ኣይሁድ ኢና ዝብሉን ፡— ግናኸ ማሕበር ሰይጣን እዮም እምበር፡ ኣይሁድስ ዘይኰኑ፡— እፈልጥ ኣሎኹ። 10እንሆ፡ ምእንቲ ኽትፍተኑስ፡ ድያብሎስ ንገሌኻትኩም ናብ ቤት ማእሰርቲ ኽድርብዮም እዩ፡ ዓሰርተ መዓልቲውን ጸበባ ኽረኽበኩም እዩ እሞ፡ ነቲ ዝመጸካ መከራ ኣይትፍርሃዮ። ክሳዕ ሞት እሙን ኩን፡ ኣነውን ኣኽሊል ህይወት ክህበካ እየ። 11እዝኒ ዘላቶ እቲ መንፈስ ንማሕበራት ዝብለን ዘሎ ይስማዕ። እቲ ዝስዕር በቲ ኻልኣይ ሞት ኣይኩጕዳእን እዩ።
12ናብ መልኣኽ ማሕበር ጴርጋሞስውን ጽሓፍ፡ እቲ ኽልተ ዝኣፉ በሊሕ ሰይፉ ዝሓዘ ኸምዚ ይብል ኣሎ፡ 13ኣበይ ከም እትነብር፡ ማለት ኣብቲ ናይ ሰይጣን ዝፋን ዘለዎ ምዃኑ እፈልጥ ኣሎኹ እሞ ንስመይ ኣጽኒዕካ ሒዝካዮ ኣሎኻ፡ ኣብቲ ሰይጣን ዝነብረሉ፡ ንኣንቲጶስ፡ ነቲ እሙን ምስክረይ፡ ኣብ ማእከልኩም ብዝቐተልዎ መዓልትታት እኳ ንእምነተይ ኣይከሓድካያን። 14ነቲ ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል መንሳተቲ ንምግባር፡ ንጣኦታት እተሓርደ ኽበልዑን ክምንዝሩን ንባላቅ ዝመሃሮ ምህሮ በላዓም ዝሓዙ ስለ ዘለውኻ ግና፡ ቅሩብ ነገር ረኺበልካ ኣሎኹ። 15ከምኡውን በዛ መገዲ እዚኣስ ንምህሮ ኒቆላውያን ዝሓዝዎ ኣለዉኻ። 16ስለዚ ተነሳሕ፡ እንተ ዘይኰነስ ቀልጢፈ ኽመጽእ፡ ብሰይፊ ኣፈይውን ክዋግኦም እየ። 17እዝኒ ዘላቶ እቲ መንፈስ ንማሕበራት ዝብለን ዘሎ ይስማዕ። ነቲ ዝስዕር ካብቲ ስዉር ማና ኽህቦ እየ፡ ጻዕዳ እምኒ ድማ፡ ብዘይ እቲ እተቐበላስ ሓደ እኳ ዘይፈልጦ ኣብታ እምኒ እቲኣ እተጻሕፈ ሓድሽ ስም ክህቦ እየ።
18ናብ መልኣኽ ማሕበር ትያቲራውን ጽሓፍ፡ እቲ ኸም ሃልሃልታ ሓዊ ዝዀና ኣዒንቲ ዘለዋኦ፡ ኣእጋሩውን ዘንጸባርቕ ኣስራዚ ሊባኖስ ዝመስል ወዲ ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ 19ግብርኻን ፍቕርኻን እምነትካን ኣገልግሎትካን ትዕግስትኻን፡ እቲ ግብርኻውን ካብ ቀዳማዩስ ዳሕራዩ ኸም ዝበዝሕ፡ እፈልጥ ኣሎኹ። 20ግናኸ ነታ፡ ነብዪት እየ፡ እናበለትሲ ነቶም ኣገልገልተይ ክምንዝሩን ንጣኦታት እተሰውአ ኽበልዑን እትምህሮምን እተስሕቶምን ዘላ ኢዛቤል፡ ነታ ሰበይቲ እቲኣ ስቕ ኢልካ ምርኣይካ ረኺበልካ ኣሎኹ። 21ምእንቲ ኽትንሳሕ ኢለ፡ ግዜ ሂበያስ፡ ንሳ ግና ካብቲ ምንዝርናኣ ኽትንሳሕ ኣይደለየትን። 22እንሆ፡ ኣነ ኣብ ዓራት ሕማም ከውድቓ እየ፡ ነቶም ምስኣ ዝዝምዉ ኸኣ፡ ካብቲ ግብራ እንተ ዘይተነስሑስ፡ ናብ ብርቱዕ ጸበባ ኸእትዎም እየ። 23ንደቃውን ብሞት ክቐትሎም እየ፡ ኣነ ልብን ኰላሊትን ዝምርምር ምዃነይ ከኣ ብዘለዋ ማሕበራት ክፈልጣ እየን። ንነፍሲ ወከፍኩምውን ከከም ግብርኹም ክህበኩም እየ። 24ኣብ ትያትራ ንዘሎኹም ኵላትኩም ካልኦት ግና፡ ነቲ መዓሙቝ ሰይጣን፡— ከመዮ ንሳቶም ዝብልዎ፡— ዘይፈለጥኩምዎ፡ እዚ ምህሮ እዚ ንዘይብልኩም፡ ንኣኻትኩምሲ፡ ካልእ ጾር ኣየጹረኩምን እየ፡ እብለኩም ኣሎኹ። 25ክሳዕ ዝመጽእ ግዳ ነቲ ዘሎኩም ኣጽኒዕኩም ሓዝዎ። 26-27ነቲ ዝስዕርን ክሳዕ መወዳእታውን ግብረይ ዝሕሉንሲ፡ ከምቲ ኣነ ኻብ ኣቦይ እተቐበልክዎ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣህዛብ ከሰልጥኖ እየ። ከምቲ ኣቕሓ መሬት ዝሰባበር ገይሩ፡ ንሱ ብበትሪ ሓጺን ክጓስዮም እዩ። 28ኰዀብ ጽባሕውን ክህቦ እየ። 29እዝኒ ዘላቶ እቲ መንፈስ ንማሕበራት ዝብለን ዘሎ ይስማዕ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ራ. ዮሃንስ ምዕራፍ 3
1ናብ መልኣኽ ማሕበር ሳርዴስውን ጽሓፍ፡ እቲ፡ ሾብዓተ መናፍስቲ ኣምላኽን ሾብዓተ ከዋኽብትን ዘለውዎ፡ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኣነ ንግብርኻ እፈልጦ ኣሎኹ፡ ህያው ተባሂልካ ትስመ ኣሎኻ፡ ግናኸ ምዉት ኢኻ። 2ንግብርኻ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽይ ምሉእ ኰይኑ ኣይረኸብክዎን እሞ፡ ንቑሕ ኩን፡ ነቶም ክሞቱ ኢሎም ዘለዉ ኻልኦትውን ኣበርትዓዮም። 3ደጊም ከመይ ጌርካ ኸም እተቐበልካን ከም ዝሰማዕካን ዘክር፡ ሓልዎ ተነሳሕውን። እንተ ዘይነቓሕካ ግና፡ ከም ሰራቒ ኽመጸካ እየ፡ በየነይቲ ሰዓት ከም ዝመጸካውን ኣይክትፈልጥን ኢኻ። 4ኣብ ሳርዴስ ግና ክዳውንቶም ዘይጸየቑ ሒደት ስማት ኣለዉኻ፡ ንሳቶም ብቑዓት እዮም እሞ፡ ጻዕዳ ኽዳውንቲ ተኸዲኖም ምሳይ ክመላለሱ እዮም። 5እቲ ዝስዕር ከምኡ ጻዕዳ ኽዳውንቲ ክኽደን እዩ፡ ኣነውን ንስሙ ኻብ መጽሓፍ ህይወት ኣይክፍሕቆን እየ፡ ኣብ ቅድሚ ኣቦይን ኣብ ቅድሚ መላእኽቱን ድማ ንስሙ ኽእመኖ እየ። 6እዝኒ ዘላቶ እቲ መንፈስ ንማሕበራት ዝብለን ዘሎ ይስማዕ።
7ናብ መልኣኽ ማሕበር ፊላደልፍያውን ጽሓፍ፡ እቲ ቅዱስ፡ ሓቀኛ፡ መርሖ ዳዊት ዘለዎ፡ ንሱ ምስ ከፈተ፡ ሓደ እኳ ዘይዓጹ፡ ንሱ ምስ ዓጸወ ኸኣ፡ ሓደ እኳ ዘይከፍት፡ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ 8ንግብርኻ እፈልጦ ኣሎኹ። ዓቕምኻ ሒደት እዩ፡ ንቓለይ ሓሊኻዮ ንስመይውን ኣይከሓድካዮን እሞ፡ እንሆ፡ ሓደ እኳ ኽዓጽዎ ዘይኽእል ክፉት ደገ ሂበካ ኣሎኹ። 9እንሆ፡ ካብቶም፡ ኣይሁድ ኢና፡ ዝብሉ ማሕበር ሰይጣን፡ ግናኸ ይሕስዉ ኣለዉ እምበር፡ ኣይሁድሲ ዘይኰኑ፡ እህበካ ኣሎኹ። እንሆ፡ ንሳቶም ከም ዝመጹን፡ ኣብ ቅድሚ እግርኻ ኸም ዝሰግዱን ኣነ ኸም ዘፍቀርኩኻውን ከም ዝፈልጡን፡ ክገብሮም እየ። 10ንቓል ትዕግስተይ ስለ ዝሓሎኻዮ፡ ኣነ ድማ ካብታ ነቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ኽትፍትኖም ናብ ኵላ ዓለም እትመጽእ ሰዓት ፈተና ኽሕልወካ እየ። 11ቀልጢፈ እመጽእ ኣሎኹ። ሓደ እኳ ኣኽሊልካ ኸይዝርፈካስ፡ ነቲ ዘሎካ ኣጽኒዕካ ሓዞ። 12ነቲ ዝስዕር ኣብታ መቕደስ ኣምላኸይ ዓንዲ ኽገብሮ እየ፡ ካብኣ ከቶ ኣይክወጽእን እዩ። ስም ኣምላኸይን ስም እታ ኸተማ ኣምላኸይን፡ ናይታ ኻብ ኣምላኸይ ካብ ሰማይ እትወርድ ሓዳስ የሩሳሌም፡ ነቲ ሓድሽ ስመይን ክጽሕፈሉ እየ። 13እዝኒ ዘላቶ እቲ መንፈስ ንማሕበራት ዝብለን ዘሎ ይስማዕ።
14ናብ መልኣኽ ማሕበር ሎዲቅያውን ጽሓፍ፡ እቲ ኣሜን፡ እሙን ሓቀኛ ምስክር፡ መጀመርታ ፍጥረት ኣምላኽ፡ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ 15ዝሑል ወይስ ምዉቕ ዘይምዃንካ፡ ግብርኻ እፈልጥ ኣሎኹ። ብኻ ዝሑል ወይስ ምዉቕ ምዀንካ። 16ከምዚ ልብጥ ዝበለ ብምዃንካ ኣይምዉቕ ኣይዝሑል ኢኻ እሞ፡ ካብ ኣፈይ ጡፍ ክብለካ እየ። 17ሃብታምን ፈሳስን እየ፡ ሓንቲ ዝደልያ ነገር እኳ የብለይን ብምባልካ፡ ሕሱርን ዘደንግጽን ነዳይን ዕዉርን ዕሩቕን ምዃንካ ኣይትፈልጥን ኢኻ ዘሎኻ። 18ምእንቲ ኽትህብትም ብሓዊ ዝጸረየ ወርቂ ካባይ ክትዕድግ፡ ሕፍረት ዕርቃንካ ምእንቲ ኸይቅላዕን ክትክደንን ከኣ ጻዕዳ ኽዳውንቲ፡ ምእንቲ ኽትርኢ ነዒንትኻ ኽትኰሓለሉውን ኵሕሊ ኻባይ ክትዕድግ እመኽረካ ኣሎኹ። 19ኣነ ነቶም ዘፍቅሮም ዘበሉ እገንሖም እቐጽዖምውን እየ። ደጊም ቅናእ እሞ ተነሳሕ። 20እንሆ፡ ኣብ ደገ ቤት ደው ኢለ ኳሕኳሕ አብል ኣሎኹ። ሓደ እኳ ድምጸይ ሰሚዑስ ማዕጾ እንተ ኸፈተለይ፡ ናብኡ ኽኣቱ ምስኡ ኸኣ ክድረር እየ፡ ንሱውን ምሳይ። 21ከምቲ ኣነውን ዝሰዓርኩ እሞ ምስ ኣቦይ ኣብ ዝፋኑ እተቐመጥኩ፡ ነቲ ዝስዕር ኣብ ዝፋነይ ምሳይ ክቕመጥ ክህቦ እየ። 22እዝኒ ዘላቶ እቲ መንፈስ ንማሕበራት ዝብለን ዘሎ ይስማዕ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ራ. ዮሃንስ ምዕራፍ 4
1ድሕርዚ ድማ፡ እንሆ፡ ኣብ ሰማይ ክፉት ደገ ርአኹ እቲ ምሳይ ክዛረብ ከሎ ዝሰማዕክዎ ኸም መለከት ዝዀነ ቐዳማይ ድምጺ ኸኣ፡ ድሕሪ ሕጂ ዝኸውን ነገር ከርእየካስ ነጀው ደይብ፡ በለኒ። 2ሽዑ ብመንፈስ ኰንኩ፡ እንሆ ድማ፡ ኣብ ሰማይ ዝፋን ተነቢሩ፡ ኣብቲ ዝፋንውን ሓደ ተቐሚጡ ነበረ። 3እቲ ተቐሚጥዎ ዝነበረ ኸኣ፡ ትርኢቱ እምኒ ያስጲስን ሰርድዮስን ይመስል፡ ነቲ ዝፋን ድማ ስመራግድ ዝመስል ቀስቲ ደበና ኸቢብዎ ነበረ። 4ኣብ ዙርያ እቲ ዝፋን ከኣ ዕስራን ኣርባዕተን ዝፋናት፡ ኣብቲ ዝፋናትውን ጻዕዳ ኽዳውንቲ እተኸድኑ ኣብ ረርእሶም ከኣ ኣኽሊል ወርቂ እተኸለሉ ዕስራን ኣርባዕተን ሽማግሌታት ተቐሚጦም ርአኹ። 5ካብቲ ዝፋን ከኣ መባርቕን ደሃያትን ነጐዳታትን ወጸ። ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ከኣ ሾብዓተ መብራህቲ ሓዊ ይነድድ ነበረ። ንሳቶም እቶም ሾብዓተ መናፍስቲ ኣምላኽ እዮም። 6ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ድማ ከም ባሕሪ መረጸን ዝዀነ፡ ክሪስታል ዝመስል ኣሎ። ብቕድሚቶምን ብድሕሪቶምን ኣዒንቲ ዝመልኦም ኣርባዕተ እንስሳውን ኣብ ማእከል እቲ ዝፋንን ኣብ ዙርያ እቲ ዝፋንን ኣለዉ። 7እቲ ቐዳማይ እንስሳ ኸኣ ኣንበሳ ይመስል፡ እቲ ኻልኣይ እንስሳ ድማ ብዕራይ ይመስል፡ እቲ ሳልሳይ እንስሳ ኸኣ ከም ገጽ ሰብ ዝመስል ገጽ ኣለዎ፡ እቲ ራብዓይ እንስሳውን ዝነፍር ንስሪ እዩ ዝመስል። 8እቶም ኣርባዕተ እንስሳ ድማ ነፍሲ ወከፎም ሸሹድሽተ ኽንፊ ኣለዎም፡ ብዙርያኦምን ብውሽጦምን ከኣ ኣዒንቲ መሊእዎም እዩ፡ ለይትን መዓልትን ከየቋረጹ ድማ፡ እቲ ዝነበረን ዘሎን ዝመጽእን ኵሉ ዝከኣሎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ቅዱስ፡ ቅዱስ፡ ቅዱስ እዩ፡ ይብሉ። 9እቶም እንስሳ ነቲ ኣብ ዝፋን እተቐመጠ፡ ንዘለኣለመ ኣለም ህያው ኰይኑ ዝነብር፡ ክብርን ስብሓትን ምስጋናን ክህብዎ ኸለዉ፡ 10-11እቶም ዕስራን ኣርባዕተን ሽማግሌታት ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎ ፍግም ኢሎም፡ ዎ ጐይታናን ኣምላኽናን፡ ንብዘሎ ንስኻ ፈጠርካዮ፡ ስለ ፍቓድካውን ኰይኑን ተፈጢሩን እዩ እሞ፡ ንስኻ ኽብርን ስብሓትን ስልጣንን ንምውሳድ ብቑዕ ኢኻ፡ እናበሉ፡ ነቲ ንዘለኣለመ ኣለም ህያው ኰይኑ ዝነብር እናሰገዱ ኣኽሊላቶም ናብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ይድርብዩ ኣለዉ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ራ. ዮሃንስ ምዕራፍ 5
1ኣብ የማን እቲ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎ ድማ ብውሽጡን ብወጻኢኡን ተጻሒፉ፡ ብሾብዓተ ማሕተም እተሓትመ መጽሓፍ ርአኹ። 2ሓደ ብርቱዕ መልኣኽ ድማ፡ ነዚ መጽሓፍ እዚ ክግንጽሎ ንመሓትሙውን ክፈትሖ ዝበቅዕ መን ኣሎ፧ ኢሉ ብብርቱዕ ድምጺ ኽጭርሕ ከሎ ርአኽዎ። 3ነቲ መጽሓፍ እቲ ኽግንጽሎ ወይስ ክርእዮ ኣብ ሰማይ፡ ወይስ ኣብ ምድሪ፡ ወይስ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ንሓደ እኳ ኣይተኻእሎን። 4ኣነ ድማ፡ ነቲ መጽሓፍ ዝግንጽሎ ወይስ ዝርእዮ ብቑዕ ሓደ እኳ ስለ ዘይተረኽበ፡ ብዙሕ በኸኹ። 5ካብቶም ሽማግሌታት ሓደ ድማ፡ ኣይትብከ፡ እንሆ፡ እቲ ኻብ ነገድ ይሁዳ ዝዀነ ኣንበሳ፡ እቲ ሱር ዳዊት፡ ነቲ መጽሓፍ ክግንጽሎን ነቲ ሾብዓተ ማሕተሙውን ክፈትሖን ስዒሩ ኣሎ፡ በለኒ።
6ኣብ ማእከል እቲ ዝፋንን እቶም ኣርባዕተ እንስሳን ኣብ ማእከል እቶም ሽማግሌታትን ተሓሪዱ ኸም ዝነበረ ዝመስል ገንሸል ደው ኢሉ ርአኹ። ንሱ ሾብዓተ ቐርንን ሾብዓተ ዓይንን ኣለዉዎ፡ ንሳቶም ከኣ እቶም ናብ ብዘላ ምድሪ እተላእኩ ሾብዓተ መናፍስቲ ኣምላኽ እዮም። 7ንሱ መጺኡ፡ ነቲ መጽሓፍ ካብ የማነይቲ ኢድ እቲ ኣብ ዝፋን እተቐመጠ ወሰዶ። 8ነቲ መጽሓፍ ምስ ወሰዶ ኸኣ፡ እቶም ኣርባዕተ እንስሳን እቶም ዕስራን ኣርባዕተን ሽማግሌታትን፡ ነፍሲ ወከፎም መሰንቆን ዕጣን ዝመልአ ጽዋእ ወርቅን ሒዞም፡— እዚ ድማ ጸሎት እቶም ቅዱሳት እዩ፡— ኣብ ቅድሚ እቲ ገንሸል ተደፍኡ። 9-10ንሳቶም ከኣ፡ ተሓሪድካስ ብደምካ ኻብ ብዘሎ ዓሌታትን ቋንቋታትን ህዝብን ኣህዛብን ንኣምላኽ ዝዀኑ ሰባት ዓዲግካሉ ኢኻ፡ ንኣምላኽና ዝዀኑ መንግስትን ካህናትን ገቢርካዮም፡ ኣብ ምድሪ ድማ ክነግሱ እዮም እሞ፡ ንስኻ ነቲ መጽሓፍ ክትወስዶ፡ ነቲ መሓተምውን ክትፈትሖ ብቑዕ ኢኻ፡ እናበሉ ሓድሽ መዝሙር ዘመሩ።
11ርአኹ ድማ፡ ኣብ ዙርያ እቲ ዝፋንን እቶም ኣርባዕተ እንስሳን እቶም ሽማግሌታትን ከኣ ድምጺ ብዙሓት መላእኽቲ ሰማዕኩ፡ ቍጽሮም ድማ ኣእላፍ ግዜ ኣእላፍ፡ ኣሻሕ ግዜውን ኣሻሕ እዩ። 12ዓው ብዝበለ ድምጺ ኸኣ፡ እቲ እተሓርደ ገንሸል፡ ንሱ ስልጣንን ሃብትን ጥበብን ሓይልን ክብርን ግርማን ውዳሴን ክወስድ ብቑዕ እዩ፡ በሉ። 13ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኣብ ትሕቲ ምድርን ኣብ ባሕርን ዘሎ ፍጡር ኣባታቶም ዘሎ ዘበለ ዅሉውን፡ በረኸትን ክብርን ግርማን ስልጣንን ንዘኣለመ ኣለም ነቲ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎን ነቲ ገንሸልን ይኹን ክብሉ ኸለዉ ሰማዕኩ። 14እቶም ኣርባዕተ እንስሳ ኸኣ፡ ኣሜን፡ በሉ። እቶም ሽማግሌታትውን ፍግም ኢሎም ሰገዱ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ራ. ዮሃንስ ምዕራፍ 6
1እቲ ገንሸል ካብቲ ሾብዓተ ማሕተምሲ ሓደ ምስ ፈትሐ ኸኣ፡ ርአኹ፡ ሓደ ኸም ደሃይ ነጕዲ ዝበለ ድማ፡ ንዓ እሞ ርአ፡ ክብል ከሎ ሰማዕኩ። 2ርአኹውን እንሆ፡ ኣምበላይ ፈረስ፡ እቲ ተቐሚጥዎ ዘሎ ድማ ቀስቲ ኣለዎ ኣኽሊልውን ተዋህቦ፡ እናሰዓረስ ክስዕር ከኣ ወጸ። 3ነቲ ኻልኣይ ማሕተም ምስ ፈትሖ ድማ፡ እቲ ኻልኣይ እንስሳ፡ ንዓ እሞ ርአ፡ ክብሎ ከሎ ሰማዕኩ። 4ካልእ ሓመር ፈረስ ድማ ወጸ፡ ነቲ ተቐሚጥዎ ዘሎ ኸኣ፡ ንሓድሕዶም ምእንቲ ኽቃተሉስ፡ ንሰላም ካብ ምድሪ ከርሕቓ ተዋህቦ፡ ዓቢዪ ሰይፊውን ተዋህቦ። 5ነቲ ሳልሳይ ማሕተም ምስ ፈትሖ ኸኣ፡ እቲ ሳልሳይ እንስሳ፡ ንዓ እሞ ርአ፡ ክብሎ ከሎ ሰማዕኩ። ርአኹውን እንሆ፡ መጋል ፈረስ፡ እቲ ተቐሚጥዎ ዘሎ ኸኣ ኣብ ኢዱ ሚዛን ኣለዎ። 6ኣብ መንጎ እቶም ኣርባዕተ እንስሳ ድማ ከም ድምጺ ዝበለ፡ ሓደ ኮይኒክስ ስርናይ ብዲናር፡ ሰለስተ ኮይኑክስ ስገም ከኣ ብዲናር፡ ዘይትን ወይንን ኣይትጕዳእ፡ ክብል ከሎ ሰማዕኩ። 7ነቲ ራብዓይ ማሕተም ምስ ፈትሖ ኸኣ፡ ድምጺ እቲ ራብዓይ እንስሳ፡ ንዓ እሞ ርአ፡ ክብል ከሎ ሰማዕኩ። 8ርአኹውን እንሆ፡ ቡላ ፈረስ፡ ምስ እቲ ተቐሚጥዎ ዘሎውን ሞት እዩ፡ ሲኦል ከኣ ይስዕቦ። ብሰይፍን ጥሜትን ፌራን ብኣራዊት ምድርን ገይሮም፡ ንራብዓይ ኣፍ ምድሪ ክቐትልዎ ስልጣን ተዋህቦም። 9ነቲ ሓምሳይ ማሕተም ምስ ፈትሖ ኸኣ፡ ነፍሳት እቶም ስለ ቓል ኣምላኽን ስለቲ ዝነበሮም ምስክርን እተሓርዱ ኣብ ትሕቲ መሰውኢ ርአኹ። 10ዓው ብዝበለ ድምጺ ኸኣ፡ ዎ ቅዱስን ሓቀኛን ጐይታ፡ ክሳዕ መኣዝ ኢኻ ዘይትፈርድ፧ ነቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉኻ ኽሳእ መኣዝ ኢኻ ሕነ ደምና ዘይትፈድዮም፧ እናበሉ ጠርዑ። 11ንነፍሲ ወከፎም ድማ ጻዕዳ ኽዳን ተዋህቦም፡ እቶም ከማታቶም ክቕተሉ ዘለዎም ብጾቶም ባሮትን ኣሕዋቶምን ክሳዕ ዝምልኡ ኸኣ፡ ገና ቕሩብ ዘመን ክዓርፉ ተባህለሎም። 12ነቲ ሳድሳይ ማሕተም ምስ ፈትሖ ኸኣ፡ ርአኹ እሞ ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዀነ፡ ጸሓይ ከም ወጮ ጸልመተ፡ ወርሒውን ብዘላ ኸም ደም ኰነት። 13ኦም በለስ፡ ብርቱዕ ንፋስ ሰሰው ምስ ኣበላ፡ ነቲ ዝጐዐ ፍሪኣ ኸም እተርግፍ፡ ከምኡ ኸኣ ከዋኽብቲ ሰማይ ኣብ ምድሪ ወደቑ። 14ሰማይውን ከም ዝጥቕለል ክታብ ኣግለሰ። ብዘለዉ ኣኽራንን ደሴታትን ካብ ሰስፍራኦም ገዓዙ። 15ነገስታት ምድርን መሳፍንትን ሓላቑ ኣሻሓትን ሃብታማትን ሓያላትን ኵሎም ባሮትን ጭዋታትን ኣብ ጐደጕድን ኣብ በዓትታት ኣኽራንን ተሓብኡ። 16ነኽራንን ነኻውሕን ድማ ካብ ገጽ እቲ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎን ካብ ቍጥዓ እቲ ገንሸልንሲ ኣብ ልዕሌና ወዲቕኩም ከውሉና፡ በልዎም። 17እታ ዓባይ መዓልቲ ቍጥዓኦም መጺኣ እያ እሞ፡ መንከ እዩ ደው ክብል ዝኽእል፧
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ራ. ዮሃንስ ምዕራፍ 7
1ድሕርዚ ድማ ኣርባዕተ መላእኽቲ ኣብ ኣርባዕተ መኣዝን ምድሪ ደው ኢሎም፡ ኣብ ምድሪ ወይስ ኣብ ባሕሪ ኣብ ኦም ዘበለውን ንፋስ ከይነፍስ፡ ነቶም ኣርባዕተ ንፋሳት ምድሪ ሒዞምዎም ርአኹ። 2ማሕተም እቲ ህያው ኣምላኽ ዘለዎ ኻልእ መልኣኽውን ካብ ምብራቕ ጸሓይ ክወጽእ ከሎ ርአኹ። ንሱ ኸኣ ነቶም ምድርን ባሕርን ክጐድኡ እተዋህቦም ኣርባዕተ መላእኽቲ ብብርቱዕ ድምጺ ጸውዖም እሞ፡ 3ነቶም ባሮት ኣምላኽና ኣብ ገግምባሮም ክሳዕ እንሓትሞምሲ፡ ምድሪ፡ ወይስ ባሕሪ፡ ወይስ ኣእዋም ኣይትጕድኡ፡ በለ። 4ቍጽሪ እቶም ሕቱማት ድማ ሰማዕኩ፡ ካብ ብዘሎ ነገድ ደቂ እስራኤል ሚእትን ኣርብዓን ኣርባዕተን ሽሕ ሕቱማት። 5ካብ ነገድ ይሁዳ ዓሰርተው ክልተ ሽሕ ተሓትሙ፡ ካብ ነገድ ሮቤል ዓሰርተው ክልተ ሽሕ፡ ካብ ነገድ ጋድ ዓሰርተው ክልተ ሽሕ፡ 6ካብ ነገድ ኣሴር ዓሰርተው ክልተ ሽሕ፡ ካብ ነገድ ንፍታሌም ዓሰርተው ክልተ ሽሕ፡ ካብ ነገድ ምናሴ ዓሰርተው ክልተ ሽሕ፡ 7ካብ ነገድ ስምኦን ዓሰርተው ክልተ ሽሕ፡ ካብ ነገድ ሌዊ ዓሰርተው ክልተ ሽሕ ተሓትሙ፡ ካብ ነገድ ይሳኮር ዓሰርተው ክልተ ሽሕ፡ 8ካብ ነገድ ዛብሎን ዓሰርተው ክልተ ሽሕ፡ ካብ ነገድ ዮሴፍ ዓሰርተው ክልተ ሽሕ፡ ካብ ነገድ ብንያም ዓሰርተው ክልተ ሽሕ ተሓትሙ።
9ድሕርዚ ድማ ርአኹ፡ እንሆ፡ ካብ ኵሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ህዝብታትን ካብ ብዘሎ ቛንቋታትን እተኣከቡ፡ ሓደ እኳ ክቘጽሮም ዘይክእል ብዙሓት ሰብ፡ ጻዕዳ ኽዳውንቲ ተኸዲኖም፡ ጨነፍር ስየ ኣብ ኣእዳዎም ሒዞም፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋንን ኣብ ቅድሚ እቲ ገንሸልን ደው ኢሎም ርአኹ እሞ፡ 10ምድሓን ናይቲ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎ ኣምላኽናን ናይቲ ገንሸልን እዩ፡ እናበሉ ዓው ኢሎም ጨደሩ። 11-12እቶም መላእኽቲውን ኵላቶም ኣብ ዙርያ እቲ ዝፋንን እቶም ሽማግሌታትን እቶም ኣርባዕተ እንስሳን ቈሙ። ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ፍግም ኢሎም ከኣ፡ ኣሜን፡ ውዳሴን ግርማን ጥበብን ምስጋናን ክብርን ስልጣንን ሓይልን ንዘለኣለም ኣለም ንኣምላኽና ይኹን፡ ኣሜን፡ እናበሉ ንኣምላኽ ሰገዱ።
13ካብቶም ሽማግሌታት ሓደ ድማ፡ እዞም ጻዕዳ ኽዳውንቲ እተኸድኑስ እንታዎት እዮም፧ ካበይከ መጹ፧ ኢሉ መለሰለይ። 14ኣነውን፡ ጐይታይ፡ ንስኻ ትፈልጥ፡ በልክዎ። ንሱ ኸኣ፡ እዚኣቶም ካብቲ ብርቱዕ ጸበባ ዝመጹ እዮም፡ ንኽዳውንቶም ከኣ ብደም እቲ ገንሸል ሓጺቦም ኣጻዕደዉ፡ 15ስለዚ ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ኣምላኽ እዮም፡ ኣብታ መቕደሱውን ለይትን መዓልትን የገልግልዎ ኣለዉ። እቲ ኣብቲ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎ ኸኣ ንድንኳኑ ኣብ ልዕሊኦም ክተኽሎ እዩ። 16-17እቲ ኣብ ማእከል ዝፋን ዘሎ ገንሸል ስለ ዝጓስዮም፡ ናብ ዔላታት ማይ ህይወት ከኣ ስለ ዝመርሖም፡ ኣምላኽውን ካብ ኣዒንቶም ንብዓት ዘበለ ኽደርዘሎም እዩ እሞ፡ ደጊምሲ ኣይክጠምዩን ኣይክጸምኡን እዮም፡ ጸሓይን ሃሩርን ድማ ከቶ ኣይክረኽቦምን እዩ፡ በለኒ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ራ. ዮሃንስ ምዕራፍ 8
1ነቲ ሳብዓይ ማሕተም ምስ ፈትሖ ኸኣ፡ ኣብ ሰማይ ኣስታት ፈረቓ ሰዓት ዝኣክል ስቕታ ዀነ። 2ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ድማ ሾብዓተ መላእኽቲ ደው ኢሎም ርአኹ፡ ሾብዓተ መለኸትውን ተዋህቦም።
3ካልእ መልኣኽውን መጸ እሞ፡ ጽንሃህ ወርቂ ሒዙ ኣብ መሰውኢ ደው በለ፡ ነቲ ጸሎት ኵሎም ቅዱሳት ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ቅድሚ ዝፋን ዘሎ መሰውኢ ወርቂ ምእንቲ ኽወስኾ ኸኣ፡ ብዙሕ ዕጣን ተዋህቦ። 4እቲ ትኪ ዕጣን ከኣ ምስቲ ጸሎት እቶም ቅዱሳት ኰይኑ ኻብ ኢድ እቲ መልኣኽ ናብ ቅድሚ ኣምላኽ ደየበ። 5እቲ መልኣኽ ድማ ጽንሃህ ወሲዱ ኻብ ሓዊ እቲ መሰውኢ መልኦ፡ ናብ ምድሪውን ደርበዮ፡ ነጐዳታትን ጭርሓታትን በርቅታትን ምንቅጥቃጥ ምድሪን ከኣ ዀነ።
6እቶም ሾብዓተ መለኸት ዘለዎም ሾብዓተ መላእኽቲ ድማ መለኸት ክነፍሑ ተዳለዉ።
7እቲ ቐዳማይ መልኣኽ መለኸት ነፍሐ እሞ ደም እተሖሶ በረድን ሓውን ኰነ፡ ናብ ምድሪውን ተደርበየ። ሲሶ ምድሪ ኸኣ ነደደ፡ ሲሶ ኣእዋምውን ነደደ፡ ብዘሎ ለምለም ሳዕሪ ድማ ነደደ።
8እቲ ኻልኣይ መልኣኽውን መለኸት ነፍሐ፡ ከም ከረን ዝበለ ነዳዲ ሓዊ ድማ ናብ ባሕሪ ተደርበየ። ሲሶ ባሕሪ ኸኣ ደም ኰነ። 9ሲሶ እቲ ኣብ ባሕሪ ዝነብር ነፍሲ ዘለዎ ፍጡር ድማ ሞተ፡ ሲሶ መራኽብውን ጠፍኣ።
10እቲ ሳልሳይ መልኣኽ ከኣ መለኸት ነፍሐ፡ ዓብዪ ኰዀብ ከም መብራህቲ እናነደደ ኻብ ሰማይ ወደቐ፡ ኣብ ሲሶ ርባታትን ዓይኒ ማያትን ከኣ ወደቐ። 11ስም እቲ ኰዀብ ድማ ምረት እዩ ዝብሃል፡ ሲሶ እቲ ማያት ከኣ መረረ፡ መሪር ብምዃኑውን ብሰሪ እቲ ማይ ብዙሓት ሰብ ሞቱ።
12እቲ ራብዓይ መልኣኽውን መለኸት ነፍሐ፡ ሲሶኦም ምእንቲ ኽጽልምት፡ መዓልቲ ሲሶኣ ምእንቲ ኸይበርህሲ ለይቲውን ከምኣ ሲሶ ጸሓይን ሲሶ ወርሕን ሲሶ ኸዋኽብትን ተወቕዕ።
13ርአኹ ድማ፡ ሓደ ንስሪ ኣብ ማእከል ሰማይ ክዝምቢ ዓው ብዝበለ ቓልውን፡ ብሰሪ እተን ተሪፈን ዘለዋ ደሃይ መለኸት ናይቶም መለኸት ክነፍሑ ዘለዎም ሰለስተ መላእኽቲ፡ ነቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ዘለዉ ወይለኦም፡ ወይለኦም፡ ወይለኦም፡ ክብል ከሎ ሰማዕኩ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ራ. ዮሃንስ ምዕራፍ 9
1እቲ ሓምሻይ መልኣኽ ድማ መለኸት ነፍሐ፡ ኰዀብ ከኣ ካብ ሰማይ ናብ ምድሪ ኽወድቕ ከሎ ርኣኹ፡ መርሖ ዓሚቝ ዔላውን ተዋህቦ። 2ነቲ ዓሚቝ ዔላ ድማ ከፈቶ። ካብቲ ዔላ ኸኣ ከም ትኪ ዓብዪ እቶን ዝመስል ትኪ ወጸ። ብትኪ እቲ ዔላ ድማ ጸሓይን ኣየርን ጸልመተ። 3ካብቲ ትኪ ድማ ኣንበጣ ናብ ምድሪ ወጸ፡ ከምቲ ንዕንቅርቢታት ኣብ ምድሪ ስልጣን ዘለወን ከኣ፡ ስልጣን ተዋህቦ። 4ንእኡውን፡ ነቶም ኣብ ግምባሮም ማሕተም ኣምላኽ ዘይብሎም ሰባት ጥራይ ደኣ እምበር፡ ኣብ ምድሪ ንዘሎስ፡ ንሳዕሪ፡ ወይስ ለምለም ንዘበለ፡ ወይስ ነእዋም ኣይትጕድኣዮም፡ ተባህለሉ። 5ሓሙሽተ ወርሒ ደኣ ኽሳቕዮም እምበር፡ ከይቀትሎምውን ተዋህቦ። እቲ ስቓዮም ከም ስቓይ ዕንቅርቢት ንሰብ ክትነክስ ከላ እዩ። 6በተን መዓልትታት እቲኣተን ሰባት ንሞት ክደልይዎ እሞ ኣይክረኽብዎን እዮም፡ ሙማትውን ክምነዩ እዮም፡ እቲ ሞት ግና ካባታቶም ክሃድም እዩ።
7ትርኢት እቲ ኣንበጣ ድማ ንውግእ እተዳለዉ ኣፍራስ ይመስል፡ ኣብ ረርእሱውን ኣኽሊላት ወርቂ ዝመስል አለዎ፡ ገጹ ኸኣ ከም ገጽ ሰብ እዩ። 8ከም ጸጕሪ ኣንስቲ ዝበለ ጸጕሪ ድማ ኣለዎ፡ ኣስናኑውን ከም ኣስናን ኣናብስ እዩ። 9ድርዒ ሓጺን ዝመስል ድርዒ ኸኣ ኣለዎ፡ ደሃይ ኣኽናፉውን ከም ደሃይ ሰረገላታት፡ ናብ ውግእ ዝጋልቡ ብዙሓት ኣፍራስ እዩ። 10ከም ጭራ ዕንቅርቢት ዝመስል ጭራን ሕንዝን ኣለዎ፡ ንሰብሲ ሓሙሽተ ወርሒ ኽጐድኦም ከኣ ኣብ ጭራኡ ስልጣን ኣለዎ። 11ንጉስ ኣለዎ፡ ንሱ መልኣኽ መዓሙቝ እዩ፡ ስሙ ብእብራይስጢ ኣባዶን እዩ፡ ብጽርኢ ኸኣ ስሙ ኣጶልዮን ይብሃል።
12እቲ ቐዳማይ ወዮ ሓሊፉ፡ ድሕርዚ ኸኣ እንሆ፡ ገና ኽልተ ወዮ ይመጽእ ኣሎ።
13-14እቲ ሳድሳይ መልኣኽውን መለኸት ነፍሐ፡ ካብተን ኣርባዕተ ቐርኒ ናይቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዘሎ መሰውኢ ወርቂ ነቲ መለኸት ዘለዎ ሳድሳይ መልኣኽ፡ ነቶም ኣብቲ ዓብዪ ርባ ኤፍራጥስ ተኣሲሮም ዘለዉ ኣርባዕተ መላእኽቲ ፍትሓዮም፡ ዝብሎ ድምጺ ሰማዕኩ። 15እቶም ነታ ሰዓትን መዓልትን ወርሕን ዓመትን እተዳለዉ ኣርባዕተ መላእኽቲ፡ ንሲሶ ሰብ ምእንቲ ክቐትሉ፡ ተፈትሑ። 16ቍጽሪ እቶም ሰራዊት ፈረሰኛታት ከኣ ክልተ እልፊ ግዜ እልፊ እዩ፡ ቍጽሮም ሰማዕኩ። 17ብራእይውን ከምኡ እቶም ኣፍራስን እቶም ተቐሚጦምዎም ዘለዉን ርአኹ። ሓውን ህያክንቶስን ዲንን ዝመስል ድርዒ ኣለዎም። ኣራእስ እቶም ኣፍራስ ከም ኣራእስ ኣናብስ ይመስል፡ ካብ ኣፎምውን ሓውን ትክን ዲንን ይወጽእ። 18በቲ ኻብ ኣፎም ዝወጸ ሓውን ትክን ዲንን፡ በዘን ሰለስተ መዓት እዚአን ሲሶ ሰብ ተቐትለ። 19ስልጣን እቶም ኣፍራስ ኣብ ኣፎምን ኣብ ጭራኦምን እዩ እሞ፡ እቲ ጭራኦም ኣትማን እዩ ዝመስል፡ ኣራእስውን ኣለዎ፡ ብእኡ ገይሮም ድማ እዮም ዝጐድኡ። 20እቶም በዘን መዓት እዚኣተን ከይተቐትሉ ዝተረፉ ሰባት ከኣ፡ ንኣጋንንትን ነቶም ክርእዩ፡ ወይስ ክሰምዑ፡ ወይስ ክኸዱ ዘይከኣሎም ጣኦታት ወርቅን ብሩርን ኣስራዝን ኣእማንን ኣዕጻውን ከይሰግዱ ኻብቲ ግብሪ ኣእዳዎም ኣይተነስሑን። 21ካብ ነፍሲ ምቕታሎም፡ ወይስ ካብ ኣስማቶም፡ ወይስ ካብ ምንዝርናኦም፡ ወይስ ካብ ስርቆም ኣይተነስሑን።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ራ. ዮሃንስ ምዕራፍ 10
1ካልእ ብርቱዕ መልኣኽ ከኣ ደበና ተወንዚፉ ኻብ ሰማይ ክወርድ ከሎ ርአኹ። ኣብ ልዕሊ ርእሱ ኸኣ ቀስቲ ደበና ኣሎ፡ ገጹ ድማ ከም ጸሓይ እዩ፡ ኣእጋሩውን ከም ኣዕኑድ ሓዊ እየን። 2ኣብ ኢዱ ኸኣ ሓንቲ ንእሽቶ ግንጽልቲ መጽሓፍ ኣላቶ። ነታ የማነይቲ እግሩ ኣብ ባሕሪ ረገጸላ፡ ነታ ጸጋመይቲ ድማ ኣብ ምድሪ ረገጸላ። 3ከም ዝጓዝም ኣንበሳ ኸኣ ዓው ብዝበለ ድምጺ ጨደረ። ምስ ጨደረ ኸኣ፡ እቶም ሾብዓተ ነጐዳታት ብድምጾም ተዛረቡ። 4እቶም ሾብዓተ ነጐዳታት ምስ ተዛረቡ፡ ኣነ ኽጽሕፍ ደሌኹ። ካብ ሰማይውን፡ ነቲ እቶም ሾብዓተ ነጐዳታት እተዛረብዎስ ሕተሞ ኣይትጽሓፎ፡ ዝብል ድምጺ ሰማዕኩ። 5እቲ ኣብ ባሕርን ኣብ ምድርን ደው ኢሉ ዝርአኽዎ መልኣኽ ድማ ንየማነይቲ ኢዱ ናብ ሰማይ ኣቢሉ ዘርግሓ እሞ፡ 6-7ብመዓልትታት ድምጺ እቲ ሳብዓይ መልኣኽ ንሱ መለኸት ክነፍሕ ምስ ተዳለወ፡ እቲ ምስጢር ኣምላኽ ከኣ ከምቲ ነቶም ባሮቱ ነብያት ዘበሰሮም፡ ሽዑ ኽፍጸም እዩ እምበር፡ ደጊምሲ ዘመን ኣይክኸውንን እዩ፡ ኢሉ በቲ ንሰማይን ኣብኡ ዘሎን፡ ንምድርን ኣብኡ ዘሎን፡ ንባሕርን ኣብኣ ዘሎን ዝፈጠረ፡ ንዘለኣለም ኣለምን ህያው ኰይኑ ዝነብር መሓለ። 8እቲ ኻብ ሰማይ ዝሰማዕክዎ ድምጺ ኸኣ፡ ኪድ እሞ ነታ ኣብ ኢድ እቲ ኣብ ባሕርን ምድርን ደው ኢሉ ዘሎ መልኣኽ ዘላ ንእሽቶ ግንጽልቲ መጽሓፍ ውሰዳ፡ ኢሉ ኸም ብሓድሽ ምሳይ ተዛረበ። 9ናብቲ መልኣኽ ከይደ ድማ፡ ነታ መጽሓፍ ሃበኒ፡ በልክዎ። ንሱ ኸኣ፡ ውሰዳ እሞ ብልዓያ፡ ንኸብድኻ መሪር ክትገብሮ እያ፡ ኣብ ኣፍካ ግና ከም መዓር ጥዕምቲ ኽትከውን እያ፡ በለኒ። 10ነታ ንእሽቶ መጽሓፍ ከኣ ካብ ኢድ እቲ መልኣኽ ወሲደ በላዕክዋ፡ ኣብ ኣፈይ ከም መዓር ጠዓመትኒ፡ ምስ በላዕክዋ ግና፡ ከብደይ መረረ እሞ፡ 11ከም ብሓድሽ ከኣ ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ህዝብታትን ኣህዛብን ቋንቋታትን ነገስታትን ክትንበ ይግብኣካ እዩ፡ ተባህለለይ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ራ. ዮሃንስ ምዕራፍ 11
1ዘንጊ ዝመስል ሻምብቆ ኸኣ ተዋህበኒ፡ ሓደ ድማ፡ ተንስእ እሞ ነታ መቕደስ ኣምላኽን መሰውእን ነቶም ኣብኣ ዝሰግዱን ስፈር፡ በለኒ። 2እቲ ብወጻኢ መቕደስ ዘሎ ቐጽሪ ግና ነህዛብ ተዋሂቡ እዩ እሞ፡ ሕደጎ ኣይትስፈሮውን፡ ነታ ቅድስቲ ኸተማ ኸኣ ኣርብዓን ክልተን ወርሒ ኽረግጽዋ እዮም። 3ነቶም ክልተ ምስክረይውን፡ ወጮ ተወንዚፎም፡ ሽሕን ክልተ ሚእትን ስሳን መዓልቲ ኽንበዩ ኽህቦም እየ። 4እዚኣቶም ኣብ ቅድሚ እቲ ጐይታ ምድሪ ዝቘሙ ኽልተ ኣዋልዕን ክልተ ቐወምቲ ቐንዴልን እዮም። 5ሓደ እኳ ኽጎድኦም እንተ ደለየ ድማ፡ ካብ ኣፎም ሓዊ ይወጽእ እሞ ንጸላእቶም ይበልዖም። ሓደ እኳ ኽጎድኦም እንተ ደለየ ኸኣ፡ ከምኡ ክቕተል ይግብኦ እዩ። 6እዚኣቶም በተን መዓልትታት ትንቢቶም ዝናም ምእንቲ ኸይዘንም ንሰማይ ክዓጽውዎ ስልጣን ኣለዎም። ናብ ደም ክልውጥዎ ኣብ ልዕሊ ማያትን ንምድሪ ብዝደለይዎ መጠን ብመዓት ዘበለ ክቐዝፍዋን ስልጣን ኣለዎም። 7ምስክሮም ምስ ፈጸሙ ኸኣ፡ እቲ ኻብ መዓሙቝ ዝወጽእ ኣራዊት ምሳታቶም ውግእ ክገብርን ክስዕሮምን ክቐትሎምን እዩ። 8ሬሳታቶም ከኣ ኣብ ኣደባባይ እታ ጐይታኦም እተሰቕለላ፡ ብመንፈሳዊ ሓሳብ ከኣ ሰዶምን ግብጽን እትብሃል ዓባይ ከተማ ኽተርፍ እዩ። 9ሰብ ድማ ካብ ኣህዛብን ዓሌታትን ቋንቋታትን ህዝብታትን ነቲ ሬሳታቶም ሰለስተ መዓልትን ፈረቓን ይርእዩዎም፡ ነቲ ሬሳታቶምሲ ኣብ መቓብር ክነብር ኣይፈቕዱን እዮም። 10እዞም ክልተ ነብያት እዚኦም ነቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ የሰቅቕዎም ነይሮም እዮም እሞ፡ እቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ብኣታቶም ይሕጐሱ ባህውን ይብሎም፡ ኣብ ንሓድሕዶም ከኣ ውህበት ክሰዱ እዮም።
11ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲን ፈረቓን ድማ መንፈስ ህይወት ካብ ኣምላኽ ኣተዎም፡ በእጋሮምውን ቈሙ፡ ነቶም ዝጠመትዎም ከኣ ብርቱዕ ፍርሃት ወደቖም እሞ፡ 12ነጀው ደይቡ፡ ዝብሎም ዓብዪ ድምጺ ኻብ ሰማይ ሰምዑ። ብደበና ድማ ናብ ሰማይ ደየቡ እሞ እቶም ጸላእቶም ጠመትዎም። 13በታ ሰዓት እቲኣ ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዀነ፡ ዓስራይ ኢድ እታ ኸተማውን ወደቐ። በቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኸኣ ሾብዓተ ሽሕ ሰባት ተቐትሉ፡ ነቶም ዝተረፉ ድማ ፍርሃት ሓዞም ንኣምላኽ ሰማይውን ክብሪ ሃብዎ።
14እቲ ኻልኣይ ወዮ ሓሊፉ፡ እንሆ፡ እቲ ሳልሳይ ወዮ ቐልጢፉ ይመጽእ ኣሎ።
15እቲ ሳብዓይ መልኣኽውን መለኸት ነፍሐ፡ ኣብ ሰማይ ከኣ፡ መንግስቲ ዓለም ናይ ኣምላኽናን ናይቲ ቕቡእን ኮይና እያ እሞ ንዘለኣለም ኣለም ክነግስ እዩ፡ ዝብል ዓው ዝበለ ድምጽታት ኰነ። 16-17እቶም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣብ ዝፋናቶም ተቐሚጦም ዘለዉ ዕስራን ኣርባዕተን ሽማግሌታት ከኣ፡ ዎ ዘሎኻን ዝነበርካን፡ ኵሉ እትኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽ ነቲ ዓብዪ ስልጣንካ ስለ ዝወስድካዮን ስለ ዝነገስካን፡ ነመስግነካ ኣሎና፡ እናበሉ ብግምባሮም ተደፊኦም ንኣምላኽ ሰገዱ። 18ኣህዛብ ተቘጢዖም፡ ቍጥዓኻውን መጺኡ፡ እቲ ንምዉታት እትፈርደሉ፡ ንባሮትካ፡ ነቶም ነብያትን ቅዱሳትን ስምካ ንዝፈርሁ ናእሽቱን ዓበይትን፡ ዓስቦም እትህበሉ፡ ነቶም መጥፋእቲ ምድሪውን እተጥፍኣሉ ዘመን መጺኡ፡ በሉ።
19እታ ኣብ ሰማይ ዘላ መቕደስ ኣምላኽ ከኣ ተኸፍተት፡ ኣብታ መቕደሱውን ታቦት ኪዳኑ ተራእየ በርቅታትን ድምጽታትን ነጐዳታትን ምንቅጥቃጥ ምድርን ዓብዪ በረድን ድማ ዀነ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ራ. ዮሃንስ ምዕራፍ 12
1ዓብዪ ትእምርቲ ድማ ኣብ ሰማይ ተራእየ፡ ሰበይቲ፡ ጸሓይ ተወንዚፋ፡ ወርሒ ኸኣ ኣብ ትሕቲ ኣእጋራ፡ ኣኽሊል ዓሰርተው ክልተ ኸዋኽብቲ ድማ ኣብ ርእሳ ዘለውዋ ተራእየት። 2ጥንስቲ ኸኣ እያ፡ ብቕልውላው ምውላድውን ትጭርሕ፡ ክትወልድ ከኣ ትጽዕር ነበረት። 3ካልእ ትእምርቲ ኸኣ ኣብ ሰማይ ተራእየ፡ እንሆ፡ ሾብዓተ ርእስን ዓሰርተ ቐርንን፡ ኣብቲ ኣራእሱውን ሾብዓተ ዘውዲ ዘለዎ ዓብዪ ቐይሕ ገበል፡ 4እቲ ጭራኡ ድማ ሲሶ ኸዋኽብቲ ሰማይ ሰሓበ፡ ናብ ምድሪውን ደርበዮም። እቲ ገበል ድማ፡ ምስ ወለደትሲ ነቲ ውሉዳ ምእንቲ ኽውሕጦ ኢሉ፡ ኣብ ቅድሚ እታ ኽትወልድ ዝቐረበት ሰበይቲ ደው በለ። 5ንሳ ንዅሎም ኣህዛብ ብበትሪ ሓጺን ክጓስዮም ዘለዎ ወዲ፡ ተባዕታይ፡ ወለደት። እቲ ውሉዳ ኸኣ ናብ ኣምላኽን ናብ ዝፋኑን ተመንጠለ። 6እታ ሰበይቲ ድማ፡ ሽሕን ክልተ ሚእትን ስሳን መዓልቲ ኽምግብዋ፡ ናብቲ ኣምላኽ ዘዳለወላ ቦታ ናብ በረኻ ሃደመት። 7ኣብ ሰማይ ከኣ ውግእ ኰነ፡ ሚኪኤልን መላእኽቱን ምስቲ ገበል ተዋግኡ። እቲ ገበልን መላእኽቱን ድማ ተዋግእዎም። 8ኣይሰዓርዎምን ከኣ፡ ድሕርዚ ስፍራኦም ኣብ ሰማይ ኣይተረኽበን። 9እቲ ንብዘላ ዓለም ዘስሕታ ዘሎ ድያብሎስን ሰይጣንን ዝብሃሉ ዓብዪ ገበል፡ እቲ ናይ ጥንቲ ተመን ተደርበየ፡ ናብ ምድሪ ተደርበየ፡ መላእኽቱውን ምስኡ ተደርበዩ። 10ኣብ ሰማይ ከኣ ዓው ብዝበለ ድምጺ፡ እቲ ለይትን መዓልትን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽናን ዝኽሶም ዝነበረ ኸሳስ ኣሕዋትና ተደርብዩ እዩ እሞ፡ ሕጂ ምድሓንን ስልጣንን መንግስትን ናይ ኣምላኽና ዀይኑ፡ ምልኪ ኸኣ ናይቲ ቕቡእ እዩ፡ ክብል ከሎ ሰማዕኩ። 11ሳላ ደም እቲ ገንሸልን ሳላ እቲ ቓል ምስክሮምን ድማ ሰዓርዎ፡ ንህይወቶምውን ክሳዕ ሞት ኣየፍቀርዋን። 12ስለዚ፡ ኣቱም ሰማያት፡ ኣባታቶም እትነብሩውን፡ ተሓጐሱ። ኣቱም ምድርን ባሕርን ግና፡ ድያብሎስ ቅሩብ ዘመን ከም ዘለዎ ፈሊጡ፡ ብብርቱዕ ቍጥዓ ወሪዱኩም ኣሎ እሞ፡ ወይለኹም። 13እቲ ገበል ከኣ ናብ ምድሪ ኸም እተደርበየ፡ ምስ ረኣየ፡ ነታ ተባዕታይ ሕጻን ዝወለደት ሰበይቲ ሰጐጓ። 14ነታ ሰበይቲ ኸኣ፡ ካብ ገጽ እቲ ተመን ርሒቓስ ዘመንን ዘመናትን ፈረቓ ዘመንን ክትምገብ፡ ናብ በረኻ ናብቲ ስፍራኣ ምእንቲ ኽትነፍር፡ ክልተ ኽንፊ ናይቲ ዓብዪ ንስሪ ተዋህባ። 15እቲ ተመን ድማ፡ ውሒዝ ምእንቲ ኽወስዳስ፡ ነታ ሰበይቲ ደድሕሪኣ ኸም ውሒዝ ዝዀነ ማይ ካብ ኣፉ ኣውጽአ። 16ምድሪ ኸኣ ነታ ሰበይቲ ረድኣታ፡ እታ ምድሪ ኣፋ ኸፊታ፡ ነቲ እቲ ገበል ካብ ኣፉ ዘውጽኦ ውሒዝ ወሓጠቶ። 17እቲ ገበል ከኣ ነታ ሰበይቲ ተቘጥዓ እሞ ምስቶም ንትእዛዝ ኣምላኽ ዝሕልዉን ምስክር የሱስ ሒዞም ዘለዉን ዝተረፉ ዘርኣ ኽዋጋእ ከደ። 18ኣብ ሑጻ ባሕሪውን ደው በለ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ራ. ዮሃንስ ምዕራፍ 13
1ዓሰርተ ቐርን ሾብዓተ ርእስን፡ ኣብቲ ኣቕርንቱ ኸኣ ዓሰርተ ዘውዲ፡ ኣብቶም ኣራእሱውን ስማት ጸርፊ ዘለዎ ኣራዊት ካብ ባሕሪ ኽወጽእ ከሎ ርአኹ። 2እቲ ዝርአኽዎ ኣራዊት ከኣ ነብሪ እዩ ዝመስል፡ ኣእጋሩ ኸም ናይ ድቢ፡ ኣፉውን ከም ኣፍ ኣንበሳ እዩ። እቲ ገበል ድማ ሓይሉን ዝፋኑን ብዙሕ ስልጣንን ሃቦ። 3ሓደ ኻብቶም ኣራእሱውን ንሞት ከም እተወግአ ዀነ እሞ እታ ቝስሊ ሞቱ ሓወየት፡ ብዘላ ምድሪ ድማ ተገሪማ ደድሕሪ እቲ ኣራዊት ሰዓበት። 4ንሳቶም ከኣ፡ ነቲ ኣራዊት ስልጣን ስለ ዝሃቦ፡ ነቲ ገበል ሰገዱሉ፡ ነቲ ኣራዊትውን፡ ነዚ ኣራዊት እዝስ መን ይመስሎ፧ መንከ ኽዋግኦ ይኽእል፧ እናበሉ ሰገዱሉ። 5ቃል ትዕቢትን ጸርፍን ዝዛረብ ኣፍ ተዋህቦ፡ በርብዓን ክልተን ወርሒ ግብሩ ኽገብርውን ምልኪ ተዋህቦ። 6ንምጽራፍ ኣምላኽን ንስሙን ንማሕደሩን ነቶም ኣብ ሰማይ ዝነብሩውን ክጸርፎም ኣፉ ኸፈተ። 7ምስቶም ቅዱሳት ውግእ ክገብርን ክስዕሮምን ከኣ ተዋህቦ። ኣብ ልዕሊ ዅላቶም ዓሌታትን ህዝብን ቋንቋታትን ኣህዛብን ድማ ምልኪ ተዋህቦ። 8እቶም፡ ካብ ምስራት ዓለም ጀሚሩ ስሞም ኣብቲ ናይቲ እተሓርደ ገንሸል መጽሓፍ ህይወት ዘይተጻሕፈ፡ ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ዅላቶም ክሰግዱሉ እዮም። 9ሰብ፡ እዝኒ ደኣ እንተ ኣልያቶስ፡ ይስማዕ። 10ዝማርኽ እንተሎ፡ ተማሪኹ ይኸይድ፡ ብሰይፊ ዝቐትል እንተሎ፡ ንሱ ብሰይፊ ክቕተል ይግብኦ። ናይቶም ቅዱሳት ትዕግስትን እምነትን ኣብዚ እዩ ዘሎ።
11ሓደ ኻልእ ኣራዊትውን ካብ ምድሪ ኽወጽእ ከሎ ርአኹ። ናይ ገንሸል ዝመስል ክልተ ቐርኒውን ኣለዎ። ከም ገበል ከኣ እዩ ዝዛረብ። 12ኣብ ቅድሚኡ ድማ ብዘሎ ስልጣን እቲ ቐዳማይ ኣራዊት ይገብር። ንሱ ነቲ እታ ቝስሊ ሞቱ ዝሓወየትሉ ቐዳማይ ኣራዊት ከኣ ምድርን እቶም ኣብኣ ዝነብሩን ከም ዝሰግዱሉ ይገብሮም። 13ኣብ ቅድሚ ሰብሲ ሓዊ እኳ ኻብ ሰማይ ናብ ምድሪ ኽሳዕ ዘውርድ፡ ዓበይቲ ትእምርቲ ይገብር። 14ነቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩውን፡ ነቲ ብሰይፊ ተወቒዑ ዝቘሰለ እሞ ዝሓወየ ኣራዊት፡ ምስሊ ኽገብሩሉ እናበለ፡ በቲ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣራዊት ኽገብሮ እተዋህቦ ትእምርትታት፡ ነቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ የስሕቶም ኣሎ። 15ምስሊ እቲ ኣራዊት ምእንቲ ኽዛረብን፡ ነቶም ንምስሊ እቲ ኣራዊት ዘይሰገዱ ዘበሉ ዅላቶም ምእንቲ ከቕትሎምን ከኣ ንምስሊ እቲ ኣራዊት ትንፋስ ክህብ ተዋህቦ። 16ንዅላቶም ከኣ፡ ነቶም ናእሽቱን ዓበይትን፡ ንሃብታማትን ድኻታትን፡ ንጭዋታትን ባሮትን ኣብ የማናይ ኢዶም ወይስ ኣብ ግምባሮም ማሕተም ከም ዝቕበሉ ይገብር ኣሎ። 17ሓደ እኳ ማሕተም ስም እቲ ኣራዊት ወይስ ቍጽሪ ስሙ እንተ ዘይብሉ፡ ክዕድግን ክሸይጥን ከም ዘይኽእል ይገብር። 18ጥበብ ኣብዚ እያ ዘላ። ቍጽሪ እቲ ኣራዊት ብቍጽሪ ሰብ እዩ እሞ፡ ኣእምሮ ዘለዎ ይጸብጽቦ። እቲ ቝጽሩ ኸኣ ሹድሽተ ሚእትን ስሳን ሹድሽተን እዩ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ራ. ዮሃንስ ምዕራፍ 14
1እንሆ ድማ፡ እቲ ገንሸል ኣብ ደብረ ጽዮን ደው ኢሉ፡ ስሙን ስም ኣቦኡን ኣብ ግምባሮም እተጻሕፎም ሚእትን ኣርብዓን ኣርባዕተን ሽሕ ከኣ ምስኡ ርአኹ። 2ከም ደሃይ ብዙሕ ማያትን ከም ደሃይ ብርቱዕ ነጐዳን ዝበለ ኻብ ሰማይ ደሃይ ሰማዕኩ። እቲ ዝሰማዕክዎ ደሃይ ከኣ ከም ደሃይ ሰብ መሰንቆ፡ መሰንቆታቶም ክድርድሩ ኸለዉ እዩ። 3ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋንን ኣብ ቅድሚ እቶም ኣርባዕተ እንስሳን ኣብ ቅድሚ እቶም ሽማግሌታትን ሓድሽ መዝሙር ዘመሩ። ነዚ መዝሙር እዚውን፡ ብዘይ እቶም ካብ ምድሪ እተዓደጉ ሚእትን ኣርብዓን ኣርባዕተን ሽሕ፡ ንሓደ እኳ ኽመሃሮ ኣይኰነሉን። 4እዚኣቶም ደናግል እዮም እሞ፡ ምስ ኣንስቲ ኣይረኸሱን። ንሳቶም ነቲ ገንሸል ናብ ዝኸዶ ዘበለ ዝስዕብዎ እዮም። ንሳቶም ንኣምላኽን ነቲ ገንሸልን በዅራት ክዀኑ፡ ካብ ደቂ ኣዳም እተዓደጉ እዮም። 5ኣብ ኣፎም ሓሶት ኣይተረኽበን እሞ ሕፍቲ ዘይብሎም እዮም።
6ነቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩን ንዅሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ቋንቋታትን ህዝብታትን ክሰብከሎም ድማ፡ ናይ ዘለኣለም ወንጌል ዘለዎ ኻልእ መልኣኽ ኣብ ማእከል ሰማይ ክዝምቢ ኸሎ ርአኹ። 7ብብርቱዕ ድምጺ ኸኣ፡ እታ ዝፈርደላ ግዜ በጺሓ እያ እሞ፡ ንኣምላኽ ፍርህዎ ኽብሪውን ሃብዎ፡ ነቲ ሰማይን ምድርን ባሕርን ዓይኒ ማያትን ዝገበረ ስገዱሉ፡ በለ።
8ካልእ ካልኣይ መልኣኽ ድማ፡ እታ ኻብ ወይኒ ቝጥዓ ምንዝርናኣ ንዅሎም ኣህዛብ ዘስተየቶም ዓባይ ባቢሎን ወዲቓ፡ ወዲቓ፡ እናበለ ሰዓቦ።
9ካልእ ሳልሳይ መልኣኽ ድማ ሰዓቦም፡ ብብርቱዕ ድምጺ ኸምዚ እናበለ፡ ሓደ እኳ ነዚ ኣራዊት እዝን ንምስሉን እንተ ሰገደ፡ ኣብ ግምባሩ ወይስ ኣብ ኢዱውን ማሕተም እንተ ተቐበለ፡ 10ንሱ ድማ ካብቲ ኣብ ጽዋእ ቍጥዓኡ ብዘይምሕዋስ እተቐድሐ ወይኒ መዓት ኣምላኽ ክሰቲ እዩ፡ ኣብ ቅድሚ ቅዱሳት መላእኽትን ኣብ ቅድሚ እቲ ገንሸልን ከኣ ብሓውን ብዲንን ክስቀ እዩ። 11ትኪ ስቓዮምውን ንዘለኣለም ኣለም ይወጽእ፡ እቶም ነቲ ኣራዊትን ንምስሉን ዝሰግዱ ዘለዉ፡ ሓደ ኸኣ ማሕተም ስሙ እንተ ተቐበለ፡ ለይትን መዓልትን ዕረፍቲ የብሎምን። 12እቶም ንትእዛዛት ኣምላኽን ንእምነት የሱስን ዝሕልዉ ቅዱሳት ከኣ፡ ትዕግስቶም ኣብዚ እዩ ዘሎ፡ በለ።
13ካብ ሰማይ ከኣ፡ ጽሓፍ፡ እቶም ካብ ሕጂ ብጐይታ ዝሞቱ ምዉታት ብጹኣን እዮም። እወ፡ ግብሮም ክስዕቦም እዩ እሞ፡ ካብ ጻዕሮም ክዓርፉ እዮም፡ ይብል መንፈስ፡ ዝብለኒ ድምጺ ሰማዕኩ።
14ርአኹ ድማ፡ እንሆ፡ ጻዕዳ ደበናን፡ ኣብ ርእሱ ኣኽሊል ወርቂ፡ ኣብ ኢዱውን በሊሕ ማዕጺድ ዘለዎ ወዲ ሰብ ዝመስል ኣብቲ ደበና ተቐሚጡን ርአኹ። 15ካልእ መልኣኽ ድማ ካብ መቕደስ ወጺኡ ነቲ ኣብ ደበና ተቐሚጡ ዘሎ፡ ግዜ ዓጺድ ኣትዩ፡ ፍረ ምድሪውን በጺኡ እዩ እሞ፡ ንማዕጺድካ ስደዶ ዕጸድውን፡ ኢሉ ዓው ብዝበለ ድምጺ ጸውዐ። 16እቲ ኣብ ደበና እተቐመጠ ኸኣ፡ ማዕጺዱ ናብ ምድሪ ኣውረደ፡ ምድሪውን ተዓጽደት።
17ካልእ መልኣኽ ድማ ካብታ ኣብ ሰማይ ዘላ መቕደስ ወጸ፡ ንሱውን በሊሕ ማዕጺድ ሓዘ። 18ካብቲ መሰውኢ ድማ ኣብ ልዕሊ ሓዊ ስልጣን ዘለዎ ሓደ ኻልእ መልኣኽ መጸ፡ ነቲ በሊሕ ማዕጺድ ዝሓዘ ኸኣ ዓው ብዝበለ ድማጺ እናጸውዖ፡ እቲ ኣስካል ወይኒ በሲሉ እዩ እሞ፡ ነቲ በሊሕ ማዕጺድካ ሰዲድካ፡ ነቲ ናይ ምድሪ ኣስካል ወይኒ ኽተቶ፡ በለ። 19እቲ መልኣኽ ከኣ፡ ማዕጺዱ ናብ ምድሪ ኣውሪዱ፡ ነቲ ናይ ምድሪ ወይኒ ኸተቶ እሞ፡ ናብቲ ዓብዪ መጽመቝ ናይ ቍጥዓ ኣምላኽ ደርበዮ። 20እቲ መጽመቝ ድማ ኣብ ወጻኢ ኸተማ ተረግጸ እሞ ካብቲ መጽመቝ ሽሕን ሹድሽተ ሚእትን እስታድዮስ ዝኣክል፡ ክሳዕ ልጓማት ኣፍራስውን ዝበጽሕ ደም ወጸ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ራ. ዮሃንስ ምዕራፍ 15
1ካልእ ዓብይን ዘገርምን ትእምርቲ ድማ ኣብ ሰማይ ርአኹ፡ እቲ ቝጥዓ ኣምላኽ ብኣታተን ክፍጸም እዩ እሞ፡ ነተን ሾብዓተ መላእኽቲ ሒዞምወን ዘለዉ ዳሕሮት ሾብዓተ መዓት ርአኹ።
2ምስ ሓዊ እተሖሰ ኸም ባሕሪ መረጸን ዝመስል እሞ፡ እቶም ነቲ ኣራዊትን ነቲ ምስሉን ነቲ ቝጽሪ ስሙን ዝሰዓሩ፡ መሰንቆታት ኣምላኽ ሒዞም፡ ኣብቲ ባሕሪ መረጸን ደው ኢሎም ርአኹ እሞ፡ 3-4ኣታ ዅሉ እትኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ግብርኻ ዓብይን ግሩምን እዩ። ኣታ ንጉስ ኣህዛብ፡ መገድኻ ጽድቅን ሓቅን እዩ። ንስኻ በይንኻ ኢኻ ቅዱስ እሞ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ዘይፈርሃካን ንስምካ ዘየኽብርንከ መን ኣሎ፧ እቲ ቕኑዕ ፍርድኻ ተጋሂዱ እዩ እሞ፡ ስለዚ ዅሎም ኣህዛብ ክመጹ ኣብ ቅድሜኻውን ክሰግዱ እዮም፡ እናበሉ፡ መዝሙር ሙሴ፡ እቲ ባርያ ኣምላኽን፡ መዝሙር እቲ ገንሸልን ዘመሩ።
5ድሕርዚ ድማ ርአኹ፡ እታ መቕደስ ድንኳን ምስክር ከኣ ኣብ ሰማይ ተኸፍተት። 6እቶም ሾብዓተ መዓት ዝሓዙ ሾብዓተ መላእኽቲ ኻብ ልሕጺ እንጣጢዕ እተገብረ፡ ባዕባዕ ዝብል ጽሩይ ክዳን ተከዲኖም፡ ኣብ ኣፍ ልቦምውን ቅናውቲ ወርቂ ተቐኒቶም፡ ካብ መቕደስ ወጹ። 7ሓደ ኻብቶም ኣርባዕተ እንስሳ ኸኣ ካብ ቍጥዓ እቲ ንዘለኣለመ ኣለም ዝነብር ኣምላኽ እተመልአ ሾብዓተ ጽዋእ ወርቂ ነቶም ሾብዓተ መላእኽቲ ሃቦም። 8እታ መቕደስ ድማ ካብቲ ናይ ኣምላኽ ግርማን ሓይልን ብትኪ መልአት። እተን ናይቶም ሾብዓተ መላእኽቲ ሾብዓቲአን መዓት ክሳዕ ዝውድኣስ፡ ሓደ እኳ ናብ መቕደስ ክኣቱ ኣይከኣለን።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ራ. ዮሃንስ ምዕራፍ 16
1ካብታ መቕደስ ከኣ ነቶም ሾብዓተ መላእኽቲ፡ ኪዱ፡ ነቲ ናይ ቍጥዓ ኣምላኽ ሾብዓተ ጽዋእ ናብ ምድሪ ኣፍስስዎ፡ ዝብሎም ብርቱዕ ድምጺ ሰማዕኩ።
2እቲ ቐዳማይ ከደ እሞ ጽዋኡ ናብ ምድሪ ኣፍሰሰ። ነቶም ማሕተም እቲ ኣራዊት ዘለዎምን ንምስሉ ዝሰገዱ ሰባት ከኣ ክፉእ ብርቱዕ ቍስሊ ወጾም።
3እቲ ኻልኣይ ድማ ጽዋእ ናብ ባሕሪ ኣፍሰሰ። እቲ ባሕሪ ኸኣ ከም ናይ ምዉት ሰብ ዝመስል ደም ኰነ፡ ኣብቲ ባሕሪ ዝጸንሐ ትንፋስ ዘለዎ ዅሉ ህያው ድማ ሞተ።
4እቲ ሳልሳይውን ጽዋእ ናብ ርባታትን ዔላታትን ኣፍሰሰ፡ ደም ከኣ ዀነ። 5እቲ መልኣኽ ማያት ድማ፡ ኣታ ቅዱስ፡ ዘሎኻን ዝነበርካን፡ እዚ ብምፍራድካ ጻድቕ ኢኻ፡ 6ደም ቅዱሳትን ደም ነብያትን ኣፍሲሶም እዮም እሞ፡ ንስኻ ድማ ክሰትዩ ደም ሃብካዮም፡ ዝግብኦምውን እዩ፡ ክብል ከሎ ሰማዕኩ። 7እቲ መሰውኢ ድማ፡ እወ፡ ኣታ ዅሉ እትኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ እቲ ፍርድታትካስ ሓቅን ቅንዕናን እዩ፡ ክብል ከሎ ሰማዕኩ።
8እቲ ራብዓይ ከኣ ጽዋእ ኣብ ጸሓይ ኣፍሰሰ፡ ንእኣውን ንሰብ ብሓዊ ኸተንድድ ተዋህባ። 9እቶም ሰብ ድማ ብብርቱዕ ሃሩር ነደዱ፡ ንስም እቲ ኣብዘን መዓታት እዚአን ስልጣን ዘለዎ ኣምላኽ ከኣ ጸረፍዎ፡ ክብሪ ኽህብዎውን ኣይተነስሑን።
10እቲ ሓምሳይ ከኣ ጽዋእ ኣብ ዝፋን እቲ ኣራዊት ኣፍሰሰ። እታ መንግስቱ ድማ ጸልመተት፡ ብሰሪ እቲ ስቓይውን ልሳውንቶም ሓየኹ። 11ብሰሪ እቲ ቓንዛኦምን ኣቝሳሎምን ከኣ ነቲ ኣምላኽ ሰማይ ጸረፍዎ፡ ካብ ግብሮምውን ኣይተነስሑን።
12እቲ ሳድሳይውን ጽዋእ ኣብቲ ዓብዪ ርባ ኤፍራጥስ ኣፍሰሰ። ነቶም ካብ ምብራቕ ጸሓይ ዝመጹ ነገስታት ድማ መገዲ ምእንቲ ኽዳለወሎም፡ እቲ ማዩ ነጸፈ። 13ካብ ኣፍ እቲ ገበልን ካብ ኣፍ እቲ ኣራዊትን ካብ ኣፍ እቲ ነብዪ ሓሶትን ከኣ ቍርዖብ ዝመስሉ ሰለስተ ርኹሳት መናፍስቲ ኽወጹ ኸለዉ ርአኹ። 14እዚኣቶም ትእምርቲ እናገበሩ ንነገስታት ኵላ ዓለም በታ ዓባይ መዓልቲ ናይቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ንውግእ ክእክብዎም ዝወጹ ናይ ኣጋንንቲ መናፍስቲ እዮም። 15እንሆ፡ ከም ሰራቒ እመጽእ ኣሎኹ። ጥራዩ ምእንቲ ኸይከይድ ንሕፍረቱውን ከይርእይዎ፡ እቲ ዝነቅሕ ክዳኑውን ዝእርንብ ብጹእ እዩ። 16ንሳቶም ከኣ ናብቲ ብእብራይስጢ ኣርማጌዶን ዝብሃል ቦታ ኣከብዎም።
17እቲ ሳብዓይውን ጽዋእ ኣብ ኣየር ኣፍሰሰ። ካብታ መቕደስ ካብቲ ዝፋን ከኣ፡ ኰይኑ፡ ዝብል ብርቱዕ ድምጺ ወጸ። 18በርቅታትን ደሃያትን ነጐዳታትን ድማ ዀነ። ከምኡ ዝበለ ኽንድዚ ዝኣክል ዓብዪ ምንቅጥቃጥ ምድርስ፡ ሰብ ኣብ ምድሪ ኻብ ዝፍጠር ከቶ ዘይኰነ ዓብዪ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዀነ። 19እታ ዓባይ ከተማ ኸኣ ኣብ ሰለስተ ኽፍሊ ተመቕለት ከተማታት ኣህዛብውን ወደቓ። እታ ዓባይ ባቢሎን ድማ ናይቲ ብርቱዕ ቍጥዓኡ ጽዋእ ወይኒ ኽህባ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተዘከረት። 20ብዘለዋ ደሴታት ሃደማ፡ ኣኽራንውን ኣይተረኽቡን። 21ኣስታት ሓደ መክሊት ዝምኽባዱ ገዚፍ በረድ ካብ ሰማይ ናብ ሰብ ወረደ። እቲ መዓት ኣዝዩ ኽፉእ ስለ ዝዀነ፡ እቶም ሰብ ብሰሪ እቲ መዓት በረድ ንኣምላኽ ጸረፍዎ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ራ. ዮሃንስ ምዕራፍ 17
1ካብቶም ሾብዓተ ጽዋእ ዝሓዙ ሾብዓተ መላእኽቲ ኸኣ ሓደ መጺኡ፡ ፍርዲ እታ ኣብ ብዙሕ ማያት ተቐሚጣ ዘላ ዓባይ ኣመንዝራ ኸርእየካስ፡ ንዓ ነጀው። 2ነገስታት ምድሪ ምስኣ መንዚሮም፡ ኣብ ምድሪ ዝነብሩውን ብወይኒ ምንዝርናኣ ሰኺሮም እናበለ ተዛረበኒ። 3ብመንፈስ ድማ ናብ በረኻ ወሰደኒ። ሾብዓተ ርእስን ዓሰርተ ቐርንን ኣብ ዘለዎ ስማት ጸርፊ ዝመልኦ ቐዪሕ ኣራዊት እተቐመጠት ሰበይቲ ርአኹ። 4እታ ሰበይቲ ኸኣ ቀዪሕ ግምጃን ቀዪሕ ውጹእ ክዳንን ተወንዚፋ፡ ብወርቅን ክቡር እምንን ኣዕናቝን ተሰሊማ ነበረት፡ ርኽሰት ምንዝርናኣ ዝመልአ ዘፈንፍን ጽዋእ ወርቂ ኣብ ኢዳ ሒዛ ነበረት። 5ኣብ ግምባራ ኸኣ ምስጢር እታ ዓባይ ባቢሎን፡ ኣደ ኣመናዝርን ኣደ ርኽሰት ምድርን፡ ዝብል ስም ጽሑፍ እዩ። 6እታ ሰበይቲ ኸኣ ብደም ቅዱሳትን ብደም እቶም ምስክር የሱስን ሰኺራ ርአኽዋ። ምስ ርአኽዋ ኸኣ ብርቱዕ ምግራም ተገረምኩ።
7እቲ መልኣኽ ከኣ፡ ስለምንታይ ተገሪምካ፧ ምስጢር እታ ሰበይትን ምስጢር እቲ ጸዊርዋ ዘሎ ሾብዓተ ርእስን ዓሰርተ ቐርንን ዘለዎ ኣራዊትን ኣነ ኽነግረካ እየ፡ በለኒ። 8እቲ ዝርአኻዮ ኣራዊት ነበረ የሎን ከኣ፡ ካብ መዓሙቝ ድማ ክወጽእ ናብ ጥፍኣትውን ክኸይድ እዩ። ካብ ምስራት ዓለም ጀሚሩ ስሞም ኣብ መጽሓፍ ህይወት ዘይተጻሕፈ ኣብ ምድሪ ዝነብሩ፡ እቲ ኣራዊት ከም ዝነበረን ከም ዘየሎን ከም ዝመጽእን ምስ ረኣዩ፡ ክግረሙ እዮም። 9ጥበብ ዘለዋ ኣእምሮ ኣብዚ እያ ዘላ። እቶም ሾብዓተ ርእስስ እታ ሰበይቲ ተቐሚጣቶም ዘላ ሾብዓተ ኣኽራን እዮም፡ 10ሾብዓተ ነገስታት ከኣ እዮም፡ እቶም ሓሙሽተ ወዲቖም፡ እቲ ሓደ ኣሎ፡ እቲ ሓደ ገና ኣይመጸን፡ ምስ መጸ ድማ ቅሩብ ክነብር ይግብኦ እዩ። 11እቲ ዝነበረን ዘየሎን ኣራዊት፡ ንሱ ድማ ሳምናዮም እዩ፡ ካብቶም ሾብዓተ ኸኣ እዩ፡ ናብ ጥፍኣትውን ይኸይድ። 12እቶም ዝርአኻዮም ዓሰርተ ቐርኒ ድማ መንግስቲ ገና ዘይተቐበሉ ዓሰርተ ነገስታት እዮም። ግናኸ ምስቲ ኣራዊት ከም ነገስታት ኰይኖም፡ ንሓንቲ ሰዓት ምልኪ ዝቕበሉ እዮም። 13እዚኣቶም ሓደ ሓሳብ ኣለዎም፡ ሓይሎምን ስልጣኖምን ከኣ ነቲ ኣራዊት ክህብዎ እዮም። 14እዚኣቶም ምስቲ ገንሸል ክዋግኡ እዮም፡ እቲ ገንሸል ግና፡ ጐይታ ጐይተትን ንጉስ ነገስታትን እዩ እሞ ክስዕሮም እዩ። እቶም ምስኡ ዘለዉ ጽዉዓትን ሕሩያትን እሙናትን ድማ ክስዓሩ እዮም።
15እታ ኣመንዝራ ተቐሚጣቶ ዝርአኻዮ ማያትሲ ኣህዛብን ብዙሕ ሰብን ህዝብታትን ቋንቋታትን እዮም። 16እቶም ዝርአኻዮም ዓሰርተ ቐርንን እቲ ኣራዊትን ከኣ ነታ ኣመንዝራ ኽጸልእዋን ከማስንዋን ጥራያ ኽገብርዋን ንስጋኣ ኽበልዑን ብሓዊውን ከንድድዋ እዮም። 17ማለት፡ ኣምላኽ፡ ሓሳቡ ኽገብሩን ሓደ ሓሳብ ክዀኑን፡ ቃል ኣምላኽ ክሳዕ ዝፍጸም ከኣ፡ መንግስቶም ነቲ ኣራዊት ክህብዎን ኣብ ልቦም ኣእትዩ ኣሎ። 18እታ ዝርአኻያ ሰበይቲ ድማ ኣብ ነገስታት ምድሪ መንግስቲ ዘለዋ ዓባይ ከተማ እያ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ራ. ዮሃንስ ምዕራፍ 18
1ድሕርዚ ኸኣ ዓብዪ ስልጣን ዘለዎ ኻልእ መልኣኽ ካብ ሰማይ ክወርድ ከሎ ርአኹ። ብኽብሩውን ምድሪ በርሄት። 2-3ንሱ ኸኣ፡ እታ ዓባይ ባቢሎን ወዲቓ፡ ወዲቓ፡ ማሕደር ኣጋንንትን ሰፈር ኵሎም ርኹሳት መናፍስትን፡ ሰፈር ርኹስን ዘፈንፍን ዘበለ ዅሉ ዑፍን ኰይና። ኵሎም ኣህዛብ ካብቲ ወይኒ ቝጥዓ ምንዝርናኣ ሰትዮም፡ ነገስታት ምድሪ ምስኣ መንዚሮም ነጋዶ ምድሪውን ብሓይሊ ጽጋባ ሃብቲሞም፡ እናበለ ብብርቱዕ ድምጺ ጨደረ።
4-5ካብ ሰማይ ድማ ካልእ ድምጺ ሰማዕኩ፡ ከምዚ ዝብል፡ ኣቱም ህዝበይ፡ ሓጢኣታ ኽሳዕ ሰማይ ተጸፍጺፉ፡ ኣምላኽ ድማ ዓመጻኣ ዘኪሩ እዩ እሞ፡ ኣብቲ ሓጢኣታ ምእንቲ ኸይትጽምበሩ፡ ካብቲ መዓታውን ምእንቲ ኸይትካፈሉስ፡ ካብኣ ውጹ። 6ከምቲ ንሳ ዝፈደየትኩም ፍደይዋ፡ ከምቲ ግብራውን ዕጽፊ ዕጸፉላ። በቲ ዝቐድሓትሉ ጽዋእ ካዕበት ጌርኩም ቅድሑላ። 7ብልባ ንግስቲ ዀይነ እነብር፡ መበለት ኣይከውንን፡ ሓዘንውን ኣይክርእን እየ፡ ኢላ ኣላ እሞ፡ ክንዲ እቲ ንርእሳ ዘኽበረትን ዝሓንቀቐትን ጌርኩም፡ ክንድኡ ስቓይን ሓዘንን ሃብዋ። 8ስለዚ እቲ ፈሪድዋ ዘሎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ብርቱዕ እዩ እሞ፡ እቲ መዓታ፡ ሞትን ሓዘንን ጥሜትን፡ ብሓንቲ መዓልቲ ኽመጻ እዩ፡ ብሓዊውን ክትነድድ እያ። 9እቶም ምስኣ ዝመንዘሩን ዝሓንቀቑን ነገስታት ምድሪ ኸኣ፡ ትኪ ምንዳዳ ርእዮም፡ ክበኽዩላን ከልቅሱላን እዮም። 10ብሰሪ ፍርሃት ስቓያ ኣብ ርሑቕ ደው ኢሎም፡ ኣቲ ዓባይ ከተማ፡ ኣቲ ብርትዕቲ ኸተማ ባቢሎን፡ ወይለኺ፡ ወይለኺ፡ ፍርዲ ብሓንቲ ሰዓት መጺኡኪ ኣሎ፡ ክብሉ እዮም።
11እቶም ነጋዶ ምድሪ ኸኣ፡ ደጊም ኣቓሑኦም ዝዕድገሎም የልቦን እሞ፡ ይበኽዩላን የልቅሱላን። 12ኣቓሑ ወርቅን ብሩርን ክቡር እምንን ሉልን ሻሽን ቀዪሕ ውጹእ ክዳንን ሃርን ቀዪሕ ግምጃን ቅዱይ መኣዛ ዘለዎ ዘበለ ዕጨይትን ኣቕሓ ስኒ ሓርማዝ ዘበለን ናይ ክቡር ዕጨይቲ ዘበለ ኣቕሓን ናይ ኣስራዝን ናይ ሓጺንን ናይ እምነ በረድን፡ 13ቃርፋን ቅብኢ ኣሞሙንን ዕጣንን ቅዱይ ቅብእን ከርበን ወይንን ዘይትን ድኹም ሓርጭን ስርናይን ከብትን ኣባጊዕን ኣፍራስን ሰረገላታትን ባሮትን ነፍሳት ሰብን። 14እቲ ነፍስኺ ዝበሃገቶ ፍረ ኻባኺ ሓሊፉ፡ ጥዑምን ድሙቕን ዘበለ ኻባኺ ጠፊኡ፡ ድሕሪ ደጊም ከኣ እዚ ከቶ ኣይክርከብን እዩ። 15-17እቶም በዚ እንዚ እናነገዱ ኣብኣ ዝሃብተሙ ነጋዶ ብፍርሃት ስቓያ ኣብ ማዕዶኣ ደው ኢሎም፡ ክንድዚ ዝኣክል ሃብትስ ብሓንቲ ሰዓት ጠፊኡ እዩ እሞ፡ እዛ ሻሽን ቀዪሕ ውጹእ ክዳንን ቀዪሕ ግምጃን እተኸድነት፡ ብወርቅን ክቡር እምንን ሉልን እተለበጠት ዓባይ ከተማ ወይለኣ፡ ወይለኣ፡ ኢሎም እናበኸዩ የልቅሱላ። ኵሎም ሓላቑ መራኽብን ብመራኽብ ነናብ ስፍራኦም ዝኸዱ ዘበሉ ባሕረኛታትን ኣብ ባሕሪ ዝዓዩ ዘበሉ ዅሎምን ድማ ኣብ ርሑቕ ቈሙ። 18ነቲ ትኪ ምንዳዳ ምስ ረኣይዎ ድማ፡ ነዛ ዓባይ ከተማ እዚኣስ መን እዩ ዝመስላ፥ እናበሉ ጨርሑ። 19ኣብ ርእሶምውን ሓመድ ነስነሱ፡ እናበኸዩን እናሓዘኑን ከኣ፡ እቶም መራኽብ ኣብ ባሕሪ ዘለዋኦም ኵሎም ብኽቡር ኣቓሑኣ ዝሃብተሙ፡ ብሓንቲ ሰዓት ዓንያ እያ እሞ፡ እዛ ዓባይ ከተማ ወይለኣ፡ ወይለኣ፡ እናበሉ ጨርሑ።
20ኣታ ሰማይ፡ ብእኣ ተሓጐስ። ኣቱም ቅዱሳትን ሃዋርያትን ነብያትን፡ ኣምላኽ ኣብኣ ፍርድኹም ተፈድዩ እዩ እሞ፡ ብእኣ ተሓጐሱ።
21ሓደ ብርቱዕ መልኣኽ ድማ ክንዲ ዓብዪ መጥሓን ዝኸውን እምኒ ኣልዒሉ ናብ ባሕሪ ደርበዮ፡ ከምዚ እናበለ፡ ባቢሎን፡ እታ ዓባይ ከተማ፡ ከምዚ ኢላ ብናህሪ ኽትድርበ፡ ደጊም ከኣ ከቶ ኣይክትርከብን እያ። 22ድምጺ ቓነይቲ መሰንቆን ናይ ደረፍትን ናይ ነፋሕቲ እምብልታን ናይ ሰብ መለኸትን ደጊም ኣባኺ ከቶ ኣይክስማዕን፡ ኵሉ ጥበብኛን ኢደ ጥበብን ደጊም ኣባኺ ከቶ ኣይኪርከብን፡ ድሕሪ ደጊምሲ ደሃይ መጥሓን ኣባኺ ከቶ ኣይኪስማዕን እዩ። 23ነጋዶኺ መኳንንቲ ምድሪ ነይሮም፡ ኵሎም ኣህዛብ ብጥንቍልናኺ ስሒቶም እዮም እሞ፡ ደጊም ኣባኺ ብርሃን ቀንዴል ከቶ ኣይኪበርህን እዩ፡ ድሪ ደጊምሲ ኣባኺ ድምጺ መርዓዊ ድምጺ መርዓትውን ከቶ ኣይክስማዕን እዩ። 24ደም ነብያትን ቅዱሳትን ናይቶም ኣብ ምድሪ እተሓርዱ ዘበሉን ኣብኣ ተረኺቡ፡ በለ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ራ. ዮሃንስ ምዕራፍ 19
1-2ድሕርዚ ኣብ ሰማይ ከም ናይ ብዙሕ ሰብ ዝበለ ብርቱዕ ድምጺ፡ ሃሌሉያ፡ ፍርዱ ሓቅን ጽድቅን ስለ ዝዀነ፡ ንሱ ናይታ ብምንዝርናኣ ንምድሪ ዘጥፍአት ዓባይ ኣመንዝራ ስለ ዝፈረዳ፡ ንደም ባሮቱውን ካብ ኢዳ ስለ እተፈድየ፡ ምድሓንን ክብርን ሓይልን ናይ ኣምላኽና እዩ፡ ክብል ከሎ ሰማዕኩ። 3ካልኣይ ግዜ ድማ፡ ሃሌሉያ፡ በሉ። ትካውን ንዘለኣለመ ኣለም ይወጽእ። 4እቶም ዕስራን ኣርባዕተን ሽማግሌታትን እቶም ኣርባዕተ እንስሳን ከኣ ነቲ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎ ኣምላኽ፡ ኣሜን፡ ሃሌሉያ፡ እናበሉ ፍግም ኢሎም ሰገዱሉ።
5ካብቲ ዝፋንውን፡ ኣቱም እትፈርህዎ ናእሽቱን ዓበይትን ኵሉኹም ባሮቱ፡ ንኣምላኽና ወድስዎ፡ ዝብል ድምጺ ወጸ። 6-7ከም ድምጺ ብዙሕ ሰብን ከም ደሃይ ብዙሕ ማያትን ብርቱዕ ነጐዳታትን ዝበለ ኸኣ፡ እቲ ዅሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽና ነጊሱ እዩ እሞ፡ ሃሌሉያ። መርዓ እቲ ገንሸል በጺሑ፡ መርዓቱውን ተዳልያ እያ እሞ፡ ንተሓጐስ ባህ ድማ ይበለና፡ ንእኡውን ክብሪ ንሃብ፡ ክብል ከሎ ሰማዕኩ። 8ብን ዝበለ ጻዕዳ ሻሽን ጽሩይ ክዳንን ክትክደን ከኣ ተዋህባ። እቲ ሻሽ እቲ ድማ ጽድቂ እቶም ቅዱሳት እዩ። 9ንሱ ኸኣ፡ እቶም ናብ ድራር መርዓ እቲ ገንሸል እተዓደሙ ብጹኣን እዮም፡ ጽሓፍ፡ በለኒ። ንሱውን፡ እዚ እቲ ናይ ሓቂ ቓል ኣምላኽ እዩ፡ በለኒ። 10ኣነ ኸኣ፡ ክሰግደሉ ኢለ፡ ናብ ቅድሚ ኣእጋሩ ፍግም በልኩ። ንሱ ድማ፡ ከይትገብሮ ተጠንቀቕ። ምስክር የሱስ እቲ መንፈስ ትንቢት እዩ እሞ፡ ኣነስ ከማኻን ከምቶም ምስክር የሱስ ዝሕዙ ዘለዉ ኣሕዋትካን ባርያ እየ፡ ንኣምላኽ ደኣ ስገድ፡ በለኒ።
11ሰማይ ከኣ ተኸፊቱ ርአኹ። እንሆ ድማ፡ ኣምበላይ ፈረስ፡ እቲ ተቐሚጥዎ ዘሎ ኸኣ እሙንን ሓቀኛን ይብሃል፡ ብጽድቂውን እዩ ዝዳንን ዝዋጋእን። 12ኣዒንቱ ኸም ሃልሃልታ ሓዊ እየን፡ ኣብ ርእሱውን ብዙሕ ዘውድታት ኣለዎ፡ ብጀካኡ ሓደ እኳ ዘይፈልጦ ጽሑፍ ስም ድማ ኣለዎ። 13ብደም እተዓለሰ ኽዳን ተወንዚፉ እዩ፡ ስሙውን ቃል ኣምላኽ እዩ። 14ኣብ ሰማይ ዘለዉ ሰራዊት ከኣ፡ ጻዕዳን ጽሩይን ሻሽ ተኸዲኖም፡ ኣብ ኣምበሌታት ኣፍራስ ተቐሚጦም ሰዓብዎ። 15ካብ ኣፉ ኸኣ ነህዛብ ዝወቕዓሉ በሊሕ ሰይፊ ይወጽእ። ንሱ ብበትሪ ሓጺን ክጓስዮም እዩ፡ ነቲ መጽመቝ ወይኒ ናይቲ ብርቱዕ ቍጥዓ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ከኣ ንሱ ይረግጾ። 16ኣብ ክዳኑን ኣብ ምሕኵልቱን ድማ፡ ንጉስ ነገስታት፡ ጐይታ ጐይተትውን፡ ዝብል ጽሑፍ ስም ኣለዎ።
17-18ሓደ መልኣኽ ድማ ኣብ ጸሓይ ደው ኢሉ ርአኹ እሞ ነተን ኣብ ማእከል ሰማይ ዝነፍራ ዘለዋ ዅለን ኣዕዋፍ፡ ስጋ ነገስታትን ስጋ ሓለቓታትን ስጋ ሓያላትን ስጋ ኣፍራስን ናይቶም ተቐማጥኦም፡ ስጋ ዅሎም ጭዋታትን ባሮትን ናይ ናእሽቱን ዓበይትን ክትበልዓስ፡ ንዕኔ፡ ናብቲ ዓብዪ ናይ ጐይታ ድራር ተኣከባ፡ እናበለ ዓው ብዝበለ ድምጺ ጨደረ።
19እቲ ኣራዊትን እቶም ነገስታት ምድርን ሰራዊቶምን ከኣ፡ ምስቲ ኣብ ፈረስ እተቐመጠን ምስቶም ሰራዊቱን ክዋግኡ ተኣኪቦም ርአኹ። 20እቲ ኣራዊት ተታሕዘ፡ እቲ ነቶም ማሕተም እቲ ኣራዊት እተቐበሉን ንምስሉ ዝሰገዱን ዘስሕቶም ትእምርቲ ኣብ ቅድሚኦም ዝገበረ ነብዪ ሓሶትውን ምስኡ ተታሕዘ፡ ንኽልቲኣቶም ብህይወቶም ከለዉ፡ ናብቲ ብዲን ዝነድድ ቀላይ ሓዊ ደርበይዎም። 21እቶም ዝተረፉ ድማ በቲ ኻብ ኣፍ እቲ ኣብ ፈረስ ተቐሚጡ ዘሎ ዝወጽእ ሰይፊ ተቐትሉ፡ ኵለን ኣዕዋፍውን ስጋኦም በሊዐን ጸገባ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ራ. ዮሃንስ ምዕራፍ 20
1መርሖ መዓሙቝን ሓደ ገዚፍ መቝሕን ኣብ ኢዱ ዝሓዘ መልኣኽ ድማ ካብ ሰማይ ክወርድ ከሎ ርአኹ። 2ንሱውን ነቲ ገበል፡ ነቲ ናይ ጥንቲ ተመን፡ ሓዞ፡ እዚ እቲ ድያብሎስን ሰይጣንን እዩ፡ ሽሕ ዓመትውን ኣሰሮ። 3እተን ሽሕ ዓመት ክሳዕ ዝፍጸማ ኸኣ፡ ናብ መዓሙቝ ደርበዮ። ድሕሪ ደጊም ነህዛብ ምእንቲ ኸየስሕቶም ኢሉውን፡ ዓጽዩ ኣብ ልዕሊኡ ሓተመ። ድሕርዚ ንቕሩብ ግዜ ኽፍታሕ ይግባእ እዩ። 4ዝፋናት ድማ ርአኹ፡ ኣባታቶም ከኣ ተቐመጡ፡ ፍርዲውን ተዋህቦም። ነፍሳት እቶም ምእንቲ ምስክር የሱስን ምእንቲ ቓል ኣምላኽን እተሰየፉ፡ ነቲ ኣራዊትን ንምስሉን ከኣ ዘይሰገዱ፡ ማሕተሙውን ኣብ ግምባሮም ወይስ ኣብ ኣእዳዎም ዘይተቐበሉ ድማ ርአኹ። እዚኣቶም ህያዋን ኰኑ እሞ ምስ ክርስቶስ ሽሕ ዓመት ነገሱ። 5እቶም ዝተረፉ ምዉታት ግና እተን ሽሕ ዓመት ክሳዕ ዝፍጸማ ህይወት ኣይረኸቡን። እዚ እቲ ቐዳማይ ትንስአ እዩ። 6ኣብቲ ቐዳማይ ትንሳአ ዕድል ዘለዎ ብጹእን ቅዱስን እዩ። ናይ ኣምላኽን ናይ ክርስቶስን ካህናት ክዀኑ፡ ምስኡውን ሽሕ ዓመት ክነግሱ እዮም እምበር፡ እቲ ኻልኣይ ሞት ኣብዚኣቶም ስልጣን የብሉን።
7እተን ሽሕ ዓመት ምስ ተፈጸማ ኸኣ፡ ሰይጣን ካብ ማእሰርቱ ኽፍታሕ፡ 8እሞ ነቶም ኣብ ኣርባዕተ መኣዝን ምድሪ ዝነብሩ ኣህዛብ፡ ንጎግን ማጎግን ከስሕቶም፡ ንውግእውን ምእንቲ ኽእክቦም፡ ክወጽእ እዩ፡ ቍጽሮም ድማ ከም ሑጻ ባሕሪ እዩ። 9ኣብ ልዕሊ እቲ ግፍሒ ምድሪ ኸኣ ወጹ፡ ንሰፈር እቶም ቅዱሳትን ነታ ፍቅርቲ ኽተማን ድማ ከበቡ። ካብ ሰማይ ከኣ ሓዊ ወሪዱ በልዖም። 10እቲ ዘስሓቶም ድያብሎስውን ናብቲ እቲ ኣራዊትን እቲ ነብዪ ሓሶትን እተደርበይዎ ቐላይ ሓውን ዲንን ተደርበየ። ንዘለኣለመ ኣለም ከኣ ለይትን መዓልትን ክሳቐዩ እዮም።
11ዓብዪ ጻዕዳ ዝፋንን እተቐመጦን ከኣ ርአኹ። ምድርን ሰማይን ካብ ገጹ ሃደሙ፡ ቦታውን ኣይተረኽበሎምን። 12ምዉታት ድማ፡ ዓበይትን ናእሽቱን፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ደው ኢሎም ርአኹ፡ መጻሕፍቲውን ተገንጸሉ። ካልእ መጽሓፍ ከኣ ተገንጸለ፡ እዚውን እቲ መጽሓፍ ህይወት እዩ። እቶም ምዉታት ድማ፡ ከምቲ ኣብቲ መጻሕፍቲ ዝጸንሐ፡ ከከም ግብሮም ተፈርዱ። 13ባሕሪ ድማ ነቶም ኣብኣ ዘለዉ ምዉታት ወፈየት፡ ሞትን ሲኦልንውን ኣባታቶም ዘለዉ ምዉታት ወፈዩ። ነፍሲ ወከፎም ከኣ ከከም ግብሮም ተፈርዱ። 14ሞትን ሲኦልንውን ናብቲ ቐላይ ሓዊ ተደርበዩ። እዚ እቲ ኻልኣይ ሞት እዩ፡ ማለት ቀላይ ሓዊ። 15ዝኰነ ይኹን ኣብ መጽሓፍ ህይወት ተጻሒፉ ዘይተረኽበ፡ ናብቲ ቐላይ ሓዊ ተደርበየ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ራ. ዮሃንስ ምዕራፍ 21
1እቲ ቐዳማይ ሰማይን እታ ቐዳመይቲ ምድርን ሓሊፎም፡ ባሕሪውን ደጊምሲ የልቦን እሞ፡ ሓድሽ ሰማይን ሓዳስ ምድርን ርአኹ። 2እታ ቅድስቲ ኸተማ፡ እታ ሓዳስ የሩሳሌም፡ ንመርዓዊኣ ኢላ ኸም እተሰለመት መርዓት ተዳልያ፡ ካብ ሰማይ ካብ ኣምላኽ ክትወርድ ከላ ርአኹ። 3ካብቲ ዝፋንውን ዓው ዝበለ ድምጺ፡ እንሆ ድንኳን ኣምላኽ ምስ ሰብ፡ ንሱውን ምሳታቶም ክነብር እዩ፡ ንሳቶም ከኣ ህዝቡ ክዀኑ እዮም፡ ኣምላኽውን ባዕሉ ምሳታቶምን ኣምላኾምን ክኸውን እዩ። 4ኣምላኽ ከኣ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ክደርዝ እዩ። እቲ ቐዳማይ ሓሊፉ እዩ እሞ፡ ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይክኸውንን፡ ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን፡ ወይ ጫውጫው፡ ወይ ጻዕሪ ኣይክኸውንን እዩ፡ ክብል ከሎ ሰማዕኩ። 5እቲ ኣብ ዝፋን እተቐመጠ ኸኣ፡ እንሆ፡ ንዅሉ እሕድሶ ኣሎኹ፡ በለ። እዚ ቓልዚ እሙንን ሓቅን እዩ እሞ፡ ጽሓፍ፡ በለኒ። 6ቀጺሉ ኸኣ፡ እዚ ኽዉን እዩ፡ ኣልፋን ኦሜጋን፡ መጀመርታን መወዳእታን ኣነ እየ። ኣነ ንዝጸምአ ካብ ዓይኒ ማይ ህይወት ብኸምኡ ኽህቦ እየ። 7እቲ ዝስዕር ነዚ ኽወርሶ እዩ። ኣነ ኣምላኹ ክዀኖ፡ ንሱውን ውሉደይ ክዀነኒ እዩ። 8እቶም ፈራሃትን ዘይኣምኑን ፍንፉናትን ቀተልቲ ነፍስን ኣመናዝርን ጠንቈልትን መምለኽቲ ጣኦትን ብዘለዉ ሓሰውትን ግና፡ ግዲኦም ኣብቲ ብሓውን ዲንን ዝነድድ ቀላይ እዩ፡ እዚ እቲ ኻልኣይ ሞት እዩ፡ በለኒ።
9ካብቶም በተን ዳሕሮት መዓት ዝመልኣ ሾብዓተ ጽዋእ ዝሓዙ ሾብዓተ መላእኽቲ ኸኣ ሓደ መጸ እሞ፡ ነታ መርዓት፡ ሰበይቲ እቲ ገንሸል፡ ክርእየካስ ንዓ፡ እናበለ ተዛረበኒ። 10-11ብመንፈስ ድማ ናብ ዓብይን ነዊሕን ከረን ወሰደኒ፡ ነታ ኽብሪ ኣምላኽ ዘለዋ ቅድስቲ ኸተማ የሩሳሌም ካብ ሰማይ ካብ ኣምላኽ ክትወርድ ከላ ኸኣ ኣርኣየኒ። ምድማቕ ብርሃናውን ከም ኣዝዮ ዝኸበረ እምኒ፡ ከምቲ ዘንጸባርቕ እምኒ ያስጲስ እዩ ዝመስል። 10-11ዓብይን ነዊሕን ቀጽሪ ኸኣ ኣለዋ፡ ዓሰርተው ክልተ ደገ፡ ኣብቲ ደጌታትውን ዓሰርተው ክልተ መላእኽቲ፡ ስማት ድማ ተጻሒፉ ኣሎ፡ እዚ ስማት እዚውን ናይቶም ዓሰርተው ክልተ ነገድ ደቂ እስራኤል እዩ። 13ብምብራቕ ሰለስተ ደገ፡ ብሰሜን ሰለስተ ደገ፡ ብደቡብ ሰለስተ ደገ፡ ብምዕራብ ሰለስተ ደገ ኣሎ። 14ቀጽሪ እታ ኸተማ ኸኣ ዓሰርተው ክልተ መሰረት ኣለዎ፡ ኣብኡ ድማ ዓሰርተው ክልተ ስም ናይቶም ዓሰርተው ክልተ ሃዋርያት እቲ ገንሸል ኣሎ።
15እቲ ዝዛረበኒ ኸኣ፡ ነታ ኸተማን ነቲ ደጌታታን ቀጽራን ምእንቲ ኽሰፍረሉ፡ መስፈሪ፡ ዘንጊ ወርቂ፡ ኣለዎ። 16እታ ኸተማ ኸኣ ኣርባዕተ ዝመኣዝና እያ፡ ምንዋሓውን ክንዲ እቲ ግፍሓ እዩ። በቲ ዘንጊ ድማ ነታ ኸተማ ዓሰርተው ክልተ ሽሕ እስታድዮስ ሰፈራ። ምንዋሓን ምግፋሓን ምብራኻን ማዕረ ማዕረ እዩ። 17ነቲ ቐጽራ ኸኣ ብእመት ሰብኣይ፡ ንሱ ድማ ናይ መልኣኽ፡ ሚእትን ኣርብዓን ኣርባዕተን እመት ኣመቶ። 18እቲ ቐጽራ ድማ ብያስጲስ እተነድቀ እዩ፡ እታ ኸተማውን ጽሩይ ወርቂ ኸም ጽሩይ መረጸን እያ እትመስል። 19መሰረታት ቀጽሪ እታ ኸተማ ኸኣ ብክቡር እምኒ ዘበለ ተሰሊሙ እዩ። እቲ ቐዳማይ መሰረት ያስጲስ እዩ፡ እቲ ኻልኣይ ሰፉሮስ፡ እቲ ሳልሳይ ከልቄዶን፡ እቲ ራብዓይ ስመራግዶስ፡ 20እቲ ሓምሳይ ሰርዶንክስ፡ እቲ ሳድሳይ ሰርድዮስ፡ እቲ ሳብዓይ ክሪሶሊት፡ እቲ ሳምናይ በሪሎስ፡ እቲ ታስዓይ ቶጳዝዮን፡ እቲ ዓስራይ ክሪሶጵራስ፡ እቲ መበል ዓሰርተው ሓደ ህያክንቶስ፡ እቲ መበል ዓሰርተው ክልተ ኣሜትስጦስ እዩ። 21እቲ ዓሰርተው ክልተ ደገ ኸኣ ዓሰርተው ክልተ ሉል እዩ። ነፍሲ ወከፍ ደገ ኻብ ሓደ ሉል እተገብረ እዩ። ኣደባባይ እታ ኸተማ ድማ ጽሩይ ወርቂ ኸም ጽሩይ መረጸን እዩ።
22እቲ ዅሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽን እቲ ገንሸልን መቕደስ እዮም እሞ፡ መቕደስ ኣብኣ ኣይርአኹን። 23እታ ኸተማ ኸኣ ኽብሪ ኣምላኽ ኣብሪሁላ ኣሎ፡ መብራህታስ እቲ ገንሸል እዩ እሞ፡ ጸሓይ ወይስ ወርሒ ኸብርሃላ ኣየድልያን እዩ። 24ኣህዛብ ብብርሃና ኽመላለሱ፡ ነገስታት ምድሪውን ክብሮም ናብኣ ኸምጽኡ እዮም። 25ኣብኣ ለይቲ ኣይክኸውንን እዩ እሞ፡ ደጌታት ብመዓልቲ ከቶ ኣይክዕጾን እዩ። 26ነቲ ናይ ህዝብታት ክብረትን ክብርን ከኣ ናብኣ ኸምጽእዎ እዮም። 27እቶም ኣብቲ ናይቲ ገንሸል መጽሓፍ ህይወት እተጻሕፉ ደኣ እምበር፡ ገለ ርኽሰት ወይስ እቲ ዘፈንፍንን ሓሶትን ዝገብር ዘበለ ኸኣ ናብኣ ከቶ ኣይክኣቱን እዩ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ራ. ዮሃንስ ምዕራፍ 22
1ከም ክሪስታል ዝምጽራዩ ርባ ማይ ህይወት ከኣ ኣርኣየኒ፡ እዚ ኻብቲ ናይ ኣምላኽን ናይቲ ገንሸልን ዝፋን እናወጸ፡ 2ብማእከል እቲ ኣደባባይ ይውሕዝ። ነቲ ርባ ብኽልተ ጎቦኡ ድማ ኣብ ወወርሒ እናፈረየት ዓሰርተው ክልተ ፍረ እትህብ ኦም ህይወት ኣላ። ቈጽሊ እታ ኦም እቲኣ ኸኣ ፈውሲ ህዝብታት ኰይኑ ኣሎ። 3ድሕሪ ደጊምሲ መርገም ከቶ ኣይክኸውንን እዩ፡ ናይ ኣምላኽን ናይቲ ገንሸል ዝፋን ኣብኡ ክኸውን እዩ፡ እቶም ባሮቱውን ከገልግልዎ 4ገጹ ኽርእዩን እዮም፡ ስሙውን ኣብ ገግምባሮም ክኸውን እዩ። 5እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከብርሃሎም፡ ንዘለኣለም ኣለምውን ክነግሱ እዮም እሞ፡ ድሕሪ ደጊምሲ ለይቲ ኣይክኸውንን፡ ብርሃን ቀንዴልን ብርሃን ጸሓይንውን ኣይከድልዮምን እዩ።
6ንሱ ኸኣ፡ እዚ ቓላት እዚ እሙንን ሓቅን እዩ፡ እግዚኣብሄር፡ እቲ ኣምላኽ መናፍስቲ ነብያት፡ እቲ ቐልጢፉ ክኸውን ዝግባእ ነገር ንባሮቱ ኸርእዮም፡ መልኣኹ ሰዲዱ ኣሎ። 7እንሆ፡ ቀልጢፈ እመጽእ ኣሎኹ፡ እቲ ንቓላት ትንቢት እዚ መጽሓፍ እዚ ዝሕሉ ኸኣ ብጹእ እዩ፡ በለኒ።
8ነዚ ነገር እዚ ዝሰማዕክዎን ዝርአኽዎን ኣነ ዮሃንስ እየ። ምስ ሰማዕኩን ምስ ርአኩን ከኣ፡ ኣብ ቅድሚ ኣእጋር እቲ ነዚ ነገር እዚ ዘርኣየኒ መልኣኽ ክሰግድ ፍግም በልኩ። 9ንሱ ኸኣ፡ ከይትገብሮ ተጠንቀቕ። ኣነስ ከማኻን ከምቶም ኣሕዋትካ ነብያትን፡ ከምቶም ንቓላት እዚ መጽሓፍ እዚ ዝሕልዉን ባርያ እየ፡ ንኣምላኽ ደኣ ስገድ፡ በለኒ።
10ድማ፡ እቲ ግዜ ቐረባ እዩ እሞ፡ ንቓል ትንቢት እዚ መጽሓፍ እዚ ኣይትሕተሞ። 11እቲ ገፋዒ ኣዝዩ ይግፋዕ፡ እቲ ርኹስ ኣዝዩ ይርከስ፡ እቲ ጻድቕ ኣዝዩ ጽድቂ ይግበር፡ እቲ ቅዱስውን ኣዝዩ ይቀደስ፡ በለኒ። 12እንሆ፡ ቀልጢፈ እመጽእ ኣሎኹ፡ ንነፍሲ ወከፍ ከከም ግብሩ ኽፈድዮ ኸኣ፡ ዓስበይ ምሳይ እዩ። 13ኣልፋን ኦሜጋን፡ ቀዳማይን ዳሕራይን፡ መጀመርታን መወዳእታን ኣነ እየ። 14ኣብታ ኦም ህይወት መሰል ምእንቲ ክረኽቡ፡ ናብታ ኸተማውን ብደጌታታ ምእንቲ ክኣትዉስ፡ እቶም ክዳውንቶም ዝሓጸቡ ብጹኣን እዮም። 15እቶም ኣኽላባትን ጠንቈልትን ኣመናዝራታትን ቀተልትን መምለኽቲ ጣኦትን ንሓሶት ዝፈትዉዎን ዝገብርዎን ዘበሉ ዅሎም ግና ኣብ ወጻኢ እዮም።
16ኣነ የሱስ፡ ኣብተን ማሕበራት እዚ ነገር እዚ ኽምስክረልኩም ኢለ፡ ንመልኣኸይ ሰዲደዮ ኣሎኹ። ኣነ ሱር ዳዊትን ዘርኡን፡ እቲ ብሩህ ኰዀብ ጽባሕ እየ፡
17እቲ መንፈስን እታ መርዓትን፡ ንዓ፡ ይብሉ ኣለዉ። እቲ ዝሰምዕውን፡ ንዓ፡ ይበል። ዝጸምአ ኸኣ ይምጻእ፡ ዝደለየውን ማይ ህይወት ብኸምኡ ይውሰድ።
18ኣነ ቓላት ትንቢት እዚ መጽሓፍ እዚ ንዝሰምዑ ዅሎም እምስክረሎም ኣሎኹ፡ ሓደ እኳ ናብዚ እንተ ወሰኸ፡ ኣምላኽ ከኣ ኣብዚ መጽሓፍ እዚ ተጻሒፉ ዘሎ መዓት ክውስኸሉ እዩ። 19ሓደ ሰብ ከኣ ካብ ቃላት እዚ ትንቢት እዚ እንተ ኣጕደለ፡ ኣምላኽ ካብተን ኣብዚ መጽሓፍ እዚ ተጻሒፈን ዘለዋ ኦም ህይወትን እታ ቕድስቲ ኽተማን ግዲኡ ኸጕድለሉ እዩ።
20እቲ ነዚ ነገርዚ ዝምስክር፡ እወ፡ ቀልጢፈ እመጽእ ኣሎኹ፡ ይብል ኣሎ። ኣሜን፡ ጐይታና የሱስ፡ ንዓ።
21ጸጋ ጐይታና የሱስ ምስ ኵላትኩም ቅዱሳት ይኹን። ኣሜን።