ግብሪ ሃዋርያት
1 2 3 4 5 6 7 8 9
10 11 12 13 14 15
16 17 18 19 20
21 22 23 24 25
26 27 28
ግ.ሃዋ. ምዕራፍ 1
1ዎ ቴዎፍሎስ፡ ብዛዕባቲ የሱስ ክገብሮን ክምህሮን ዝጀመረሉ ኩሉ እቲ ቀዳማይ ዛንታ ጽሒፈልካ ኣሎኹ፡ 2ክሳዕ እታ ዝዓረገላ መዓልቲ ነቶም ዝሓረዮም ሃዋርያት ብመንፈስ ቅዱስ ምስ ለኣኾም፡ 3ድሕሪ ስቅያቱ ኣርብዓ መዓልቲ እናተራእዮምን ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ከኣ እናነገሮምን ብብዙሕ መፈለጥታ ህያው ምዃኑ ርእሱ ከም ዘርኣዮምን ጽሒፈልካ ኣሎኹ። 4-5ምሳታቶም ብሓንሳእ ከሎ ኸኣ፡ ዮሃንስ ብማይ እዩ ዘጥመቐ፡ ንስኻትኩም ግና ድሕሪ ቕሩብ መዓልቲ ብመንፈስ ቅዱስ ክትጥመቑ ኢኹም እሞ፡ ነቲ ካባይ ዝሰማዕኩምዎ ተስፋ ኣቦ ተጸበዩ፡ ኢሉ ካብ የሩሳሌም ከይወጹ ኣዘዞም። 6ሽዑ ተኣኪቦም ከለዉ፡ ጐይታይ፡ በዚ ወርሓት እዚዶ ንእስራኤል መንግስቲ ከተቕንዕ ኢኻ፧ ኢሎም ሓተትዎ። 7ንሱ ኸኣ፡ ኣቦ ብስልጣኑ ዝመደቦ ዘመኑን ግዜኡን ክትፈልጡ ናታትኩም ኣይኰነን። 8መንፈስ ቅዱስ ናባኻትኩም ምስ ዝወርድ ግና፡ ሓይሊ ክትቅበሉ፡ ኣብ የሩሳሌምን ኣብ ኲላ ይሁዳን ኣብ ሰማርያን ክሳዕ ወሰን ምድሪ ምስክር ክትኰኑኒ ኢኹም፡ በሎም፡ 9እዚ ምስ በለ ድማ፡ እናረኣይዎ ዓረገ፡ ካብ ኣዒንቶም ከኣ ደበና ተቐበለቶ። 10ንሱ ክዓርግ ከሎ፡ ንሳቶም ከኣ ናብ ሰማይ ገጾም ክጥምቱ ኸለዉ፡ እንሆ፡ ጻዕዳ ክዳውንቲ እተኸድኑ ክልተ ሰብኡት ኣብ ጥቓኦም ደው ኢሎም ነበሩ እሞ፡ 11ኣቱም ሰብ ገሊላ፡ ስለምንታይ ናብ ሰማይ እናጠመትኩም ደው ኢልኩም ዘሎኹም፧ እዚ ኻባኻትኩም ናብ ሰማይ ዝዓረገ የሱስ፡ ከምቲ ናብ ሰማይ ክዓርግ ከሎ ዝርኤኹምዎ ኸምኡ ገይሩ ኸኣ ክመጽእ እዩ፡ በልዎም። 12ሽዑ ደብረ ዘይቲ ኻብ ዝብሃል፡ ንየሩሳሌም ከኣ መገዲ ሰንበት ዝኣክል ካብ ዝቐርብ ከረን፡ ናብ የሩሳሌም ተመልሱ። 13ምስ ኣተዉ ከኣ፡ ናብታ ደርቢ ደየቡ፡ ጴጥሮስን ዮሃንስን ያእቆብን እንድርያስን ፊልጶስን ቶማስን በርተሎሜዎስን ማቴዎስን ያእቆብ ወዲ እልፍዮስን ስምኦን ቀናእን ይሁዳ ወዲ ያእቆብን ብሓንሳእ ይነብሩ ነበሩ። 14እዚኣቶም ኲሎም ምስ ሓያሎ ኣንስትን ምስ ማርያም ኣደ የሱስን ምስ ኣሕዋቱን ኰይኖም ከየብኰሩ ሓቢሮም ይጽልዩ ነበሩ። 15በተን መዓልትታት እቲኣተን ሚእትን ዕስራን ዝኣኽሉ ሰብ ኣብኡ ተኣኪቦም ከለዉ፡ ጴጥሮስ ኣብ ማእከል እቶም ኣሕዋት ተንሲኡ በለ። 16ኣቱም ኣሕዋተይ፡ ብዛዕባ እቲ ነቶም ንየሱስ ዝሓዝዎ መራሕ መገዲ ዝዀኖም ይሁዳ፡ መንፈስ ቅዱስ ብኣፍ ዳዊት ቀደም ዝበላ ጽሕፈት ክትፍጸም ይግባእ እዩ። 17ምሳና ተቘጺሩ ነበረ እሞ፡ ነዚ ኣገልግሎት እዚ ኸኣ ተዓዲሉ ነበረ። 18እዚ በቲ ዓስቢ ዓመጻኡ ግራት ኣጥረየ፡ ብኣፍ ርሕሙ ተደፊኡ ኸኣ ኣብ ክልተ ተጨደ፡ ብዘሎ ኣምዑቱ ድማ ወጸ እሞ፡ 19-20ገዛኡ ይዖኑ፡ ኣብኡ ዝነብር ከኣ ኣይረኸብ፡ ሽመቱውን ካልእ ይውሰዳ፡ ዝብል ኣብ መጽሓፍ መዝሙር ጽሑፍ እዩ እሞ፡ እዚ፡ እታ ግራት እቲኣ ብዘረባኦም ኣከልደማ፡ ማለት ግራት ደም፡ ክሳዕ እትብሃል፡ ኣብ የሩሳሌም ንዝነብሩ ዂላቶም ተፈልጠ። 21-22ስለዚ ኻብ እዞም በቲ ጐይታና የሱስ ካብ ጥምቀት ዮሃንስ ጀሚሩ ኽሳዕ እታ ካባና ዝዓረገላ መዓልቲ ናባና ዝኣተወሉን ዝወጻሉን ኲሉ ዘመን ዝሰዓቡና ሰባት፡ ካብ እዚኣቶም ሓደ ብዛዕባ ትንሳኤኡ ምሳና ምስክር ክኸውን ይግባእ እዩ። 23ንኽልተ ኸኣ፡ ንበርሰባስ ዝብሃል ዮስጦስ ዝሰመይዎ ዮሴፍን ንማትያስን ደው ኣበልዎም እሞ፡ 24-25ዎ ልቢ ዂሉ እትፈልጥ ጐይታ፡ እዛ ይሁዳ ናብ ስፍራኡ ምእንቲ ክኸይድ፡ ዝሓደጋ ስፍራ ኣገልግሎትን ሃዋርያነትን ክቕበልሲ፡ ካብዞም ክልተ እዚኣቶም ዝሓሬኻዮ ሓደ ኣርኢ፡ ኢሎም ጸለዩ። 26ዕጭ ከኣ ኣውደቑሎም። እታ ዕጭ ድማ ናብ ማትያስ በጽሐት። ምስቶም ዓሰርተው ሓደ ሃዋርያትውን ተቘጽረ።
ግ.ሃዋ. ምዕራፍ 2
1ኣብ መበል ሓምሳ መዓልቲ ድማ ኲላቶም ሓቢሮም ብሓንሳእ ነበሩ። 2ብድንገት ከኣ ከም ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ካብ ሰማይ ደሃይ መጸ፡ ነታ ኣብኣ ተቐሚጦም ዘለውዋ ቤትውን ንብዘላ መልኣ። 3እተመቓቐለ ልሳን ሓዊ ዝመስል ድማ ተራእዮም፡ ኣብ ልዕሊ ነነፍሲ ወከፎም ከኣ ተቐመጠ። 4ኲሎም ድማ መንፈስ ቅዱስ መልኦም፡ መንፈስ ቅዱስ ክዛረቡ ኸም ዝሃቦምውን ብኻልእ ቋንቋታት ክዛረቡ ጀመሩ። 5ኣብ ትሕቲ ሰማይ ካብ ዘለዉ ዂሎም ህዝቢ ሕያዎት ሰባት ኣብ የሩሳሌም ዝነብሩ ኣይሁድ ነበሩ። 6እዚ ደሃይ እዚ ምስ ኰነ፡ ብዙሕ ህዝቢ ተኣከበ። በብዘረባኦም ክዛረቡ ሰሚዖም ከኣ፡ ዝብልዎ ጠፍኦም። 7ኲላቶም ተገረሙን ተደነቑን፡ ከምዚ ኸኣ በሉ፡ እንሆ፡ እዞም ዝዛረቡ ዂሎም ገሊላውያንዶ ኣይኰኑን፧ 8ከመይ ኢልና ደኣ ኩላትና በበቲ እተወለድናሉ ቛንቋ ክዛረቡ ንሰምዖም ኣሎና፡ 9ንሕና ሰብ ጰርቴን ሰብ ሜዶንን ሰብ ኤላምን እቶም ኣብ መንጎ ክልተ ርባን ኣብ ይሁዳን ኣብ ቀጶዶቅያን ኣብ ጶንጦስን ኣብ እስያ ዝነብሩን፡ 10ኣብ ፍርግያን ኣብ ጰምፊልያን ኣብ ግብጽን ኣብ ዓድታት ሊብያ ጥቓ ቀሬንን ካብ ሮሜ ዝመጹ ማእከላይ ዓሌትን ኣይሁድን ጵሮሴሊታትን፡ 11ሰብ ቅሬጥስን ሰብ ዓረብን በብቛንቋና ብዛዕባ እቲ ዓብዪ ግብሪ ኣምላኽ ክዛረቡ ንሰምዖም ኣሎና። 12ኲላቶም ሰምቢዶም ንሓድሕዶም፡ እዚ ነገር እዝስ እንታይ ኰን ይኸውን፧ እናተባሃህሉ፡ ዝብልዎ ሰኣኑ። 13ገሊኦም ግና እናኣላገጹሎም፡ እዚኣቶም ጉዕ ሜስ ጸጊቦም እዮም፡ በሉ። 14ሽዑ ጴጥሮስ ምስቶም ዓሰርተው ሓደ ተንሲኡ፡ ድምጹ ዓው ኣቢሉ ተዛረቦም፡ ከምዚ ኢሉ፡ ኣቱም ሰብ ይሁዳን ኣብ የሩሳሌም እትነብሩ ዂላትኩምን፡ እዚ ኣባኻትኩም ይፈለጥ፡ ንቓለይ ድማ ጽን በሉ። 15ንመዓልቲ ሳልሰይቲ ሰዓት እያ እሞ፡ ከምዚ ንኣኻትኩም ዝመስለኩም ዘሎ፡ እዚኣቶም ስኹራት ኣይኰኑን። 16እዚ ግና እቲ ብነብዪ ዮኤል እተባህለ እዩ፡ 17በተን ዳሕሮት መዓልትታት ክኸውን እዩ፡ ይብል ኣምላኽ፡ ኣብ ልዕሊ ስጋ ዘበለ ኩሉ ካብ መንፈሰይ ከፍስስ እየ፡ ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን ክንበዩ፡ ኣጒባዝኩም ከኣ ራእይ ክርእዩ፡ ኣረገውትኹምውን ሕልሚ ኽሓልሙ እዮም። 18በተን መዓልትታት እቲኣተን ድማ ኣብ ሰብኡትን ኣንስትን ባሮተይ ካብ መንፈሰይ ከፍስስ እየ፡ ንሳቶም ከኣ ክንበዩ እዮም። 19ኣነ ድማ ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ ተኣምራት፡ ኣብ ታሕቲ ኣብ ምድሪ ከኣ ትእምርቲ ደምን ሓውን ጣቓን ክገብር እየ። 20እታ ዓባይን ግህድትን መዓልቲ ጐይታ ኸይመጸት፡ ጸሓይ ናብ ጸልማት ክትልወጥ እያ፡ ወርሒ ኸኣ ናብ ደም። 21ክኸውን ድማ እዩ፡ ስም እግዚኣብሄር ዝጽውዕ ዘበለ ኩሉ ክድሕን እዩ። 22ኣቱም ሰብ እስራኤል፡ እዚ ቓልዚ ስምዑ፡ ባዕላትኩም ድማ ከም እትፈልጡ፡ የሱስ ብዓል ናዝሬት፡ እቲ ኣምላኽ ኣብ ማእከልኩም ብእኡ ብዝገበሮ ሓይልን ተኣምራትን ትእምርትን ኣምላኽ ዝመስከረሉ ሰብኣይ፡ 23ነቲ ኸምቲ ውዱእ ምኽሪ ኣምላኽ ከምቲ ናይ ጥንቲ ፍልጠቱን ኣሕሊፎም ዝሃብዎ ወሲድኩም ብኢድ እቶም ሕጊ ዘይብሎም ሰቐልኩምዎን ቀተልኩምዎን። 24ሞት ሒዙ ከጽንዖ ስለ ዘይከኣለ ከኣ፡ ኣምላኽ ካብ ማእሰረ ሞት ፈቲሑ ኣተንስኦ። 25ዳዊት ብዛዕባኡ ይብል እዩ እሞ፡ ንእግዚኣብሄር ኲሉ ሳዕ ኣብ ቅድመይ እርእዮ፡ ንሱ ብየማነይ ስለ ዘሎ ኸኣ፡ ኣየንደልህጽን እየ። 26-27ንነፍሰይ ኣብ ሲኦል ኣይትሓድጋን ኢኻ፡ ንቕዱስካ ድማ ጥፍኣት ክርኢ ኣይትህቦን ኢኻ እሞ፡ ስለዚ ልበይ ተሓጐሰ ልሳነይ ከኣ እልል በለት፡ ስጋይውን ብተስፋ ክሓድር እዩ። 28መገዲ ህይወት ኣፍለጥካኒ፡ ኣብ ቅድሚ ገጽካ ኸኣ ሓጐስ ከተጽግበኒ ኢኻ። 29ኣቱም ኣሕዋትና፡ ብዛዕባ ዳዊት ርእሲ ኣቦታት፡ ንሱ ከም ዝሞተን ከም እተቐብረን፡ ንኣኻትኩም ብግሁድ ክንገር ግቡእ እዩ። መቓብሩ ኸኣ ክሳዕ ሎሚ ኣብ ማእከልና ኣሎ። 30እምብኣርከ ንሱ ነብዪ ዀይኑ፡ ሓደ ኻብ ፍረ ከርሱ ኣብ ዝፋኑ ክቕመጥ፡ ኣምላኽ ብማሕላ ከም ዝመሓለሉ ክንዲ ዝፈለጠ፡ 31ቅድም ርእዩ ብዛዕባ ትንሳኤ ክርስቶስ፡ ነፍሱ ኣብ ሲኦል ከም ዘይትተርፍ፡ ስጋኡ ኸኣ ጥፍኣት ከም ዘይርኢ፡ ተዛረበ። 32ኣምላኽ ነዚ የሱስ እዚ ኣተንሲእዎ፡ በዚ ንሕና ዂላትና ምስክር ኢና። 33ሕጂ ድማ ናብ የማን ኣምላኽ ልዕል ምስ በለ፡ ተስፋ መንፈስ ቅዱስ ከኣ ካብ ኣቦ ምስ ተቐበለ፡ ነዚ ንስኻትኩም እትርእይዎን እትሰምዕዎን ዘሎኹም ንሱ ኣፍሰሶ። 34-35ዳዊት ባዕሉ ደኣ፡ ጐይታ ንጐይታይ፡ ንጸላእትኻ መርገጽ እግርኻ ኽሳዕ ዝገብሮም ኣብ የማነይ ተቐመጥ፡ በሎ። ይብል እምበር፡ ንሱስ ናብ ሰማይ ኣይዓረገን። 36እምብኣርሲ ኣምላኽ ነዚ ንስኻትኩም ዝሰቐልኩምዎ የሱስ፡ ንእኡ ጐይታን ክርስቶስን ከም ዝገበሮ፡ ብዘላ ቤት እስራኤል ብርግጽ ትፍለጥ። 37ሽዑ፡ እዚ ምስ ሰምዑ፡ ልቦም ተወግአ እሞ፡ ንጴጥሮስን ነቶም ካልኦት ሃዋርያትን፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ እንታይ ንግበር፡ በልዎም። 38-39ጴጥሮስ ከኣ፡ እቲ ተስፋ ንኣኻትኩምን ንደቅኹምን ነቶም ኣብ ርሑቕ ዘለዉ ዂሎም፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዝጽውዖም ዘበሉን እዩ እተዋህበ እሞ፡ ተነስሑ ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ ብስም የሱስ ክርስቶስ ንሕድገት ሓጢኣት ይጠመቕ፡ ህያብ መንፈስ ቅዱስውን ክትቅበሉ ኢኹም በሎም። 40ካብዚ ቔናን ወለዶዚ ድሓኑ፡ እናበለ ኸኣ ብዙሕ ካልእ ቃል መስከረሎምን መዓዶምን። 41እቶም ሽዑ ዘረባኡ ባህ ኢልዎም እተቐበሉ ተጠምቁ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኣስታት ሰለስተ ሽሕ ነፍሳት ናብታ ማሕበር ተወሰኻ። 42ብትምህርቲ ሃዋርያትን ብሕብረትን ብምቑራስ እንጌራን ብጸሎትን ጸኒዖም ነበሩ። 43ኣብ ኲሉ ነፍሲ ፍርሃት ኰነ፡ ብዙሕ ተኣምራትን ትእምርትን ድማ ብሃዋርያት ተገብረ። 44እቶም ዝኣመኑ ዂላቶም ከኣ ብሓንሳእ ነበሩ፡ ዘለዎም ኲሉውን ብርኪ ነበረ። 45መሬቶምን ጥሪቶምን ይሸጡ፡ ንዂሎም ከኣ ከከም ዘድልዮም ይመቕልዎም ነበሩ። 46ኣብ ጸጽባሕ ብሕብረት ኣብ ቤተ መቕደስ ከየቛረጹ ጸኒዖም ይእከቡ ነበሩ፡ ኣብ ኣባይቲ እንጌራ እናቘረሱ፡ ብሓጐስን ብግሩህ ልብን ንኣምላኽ እናኣመስገኑ ብሓንሳእ ኰይኖም ይበልዑ ነበሩ። 47ኣብ ኲሉ ህዝቢ ኸኣ ዕድል ነበሮም። እግዚኣብሄር ድማ ዝድሕኑ ኣብ ጸጽባሕ ናብታ ማሕበር ይውስኽ ነበረ።
ግ.ሃዋ. ምዕራፍ 3
1ጴጥሮስን ዮሃንስን ብታስዐይቲ ሰዓት ብግዜ ጸሎት ናብ ቤተ መቕደስ ብሓንሳእ ደየቡ። 2ካብ ከርሲ ኣዲኡ ሒዙ ኣእጋሩ ዝሞተ ሰብኣይ ካብቶም ናብ ቤተ መቕደስ ዝኣትው ምጽዋት ምእንቲ ክልምን፡ ጾይሮም ኣብ ጸጽባሕ ኣብታ ጽብቕቲ እትበሃል ደገ ቤተ መቕደስ የቐምጥዎ ነበሩ። 3ንሱ ከኣ ጴጥሮስን ዮሃንስን ናብ ቤተ መቕደስ ክኣትዉ ከም ዝደለዩ ምስ ረኣዮም፡ ክምጽዉቱሉ ለመኖም። 4ጴጥሮስ ምስ ዮሃንስ ኰይኑ ጠመቶ እሞ፡ ናባና ጠምት፡ በሎ። 5ንሱ ኸኣ ካባታቶም ገለ ዝረክብ መሲልዎ፡ ተኲሩ ጠመቶም። 6ጴጥሮስ ከኣ፡ ወርቅን ብሩርን የብለይን፡ እቲ ዘሎኒ ግና እህበካ፡ ብስም የሱስ ክርስቶስ ናዝሬታዊ ተንስእ እሞ ኺድ፡ በሎ። 7ብየማነይቲ ኢዱ ሒዙ ኸኣ ኣተንስኦ፡ ብኡ ብኡውን ኣእጋሩን ዓክዓካሪቶኡን ጸንዐ። 8ስር ኢሉ ከኣ ደው በለ ተዛወረውን። እናተዛወረን እናተሰራሰረን ንኣምላኽ እናኣመስገነን ከኣ ምሳታቶም ናብ ቤተ መቕደስ ኣተወ። 9ኲሎም እቶም ህዝቢ ድማ ንሱ ክኸይድን ንኣምላኽ ከመስግንን ከሎ ረኣይዎ። 10እቲ ኣብታ ጽብቕቲ ደገ ቤተ መቕደስ ተቐሚጡ ምጽዋት ዝልምን ዝነበረ ምዃኑ ኣለልዮምዎ፡ በቲ ኣብኡ ዝዀነ ነገር ብስምባድን ብምግራምን መልኡ። 11ኣብ ጴጥሮስን ዮሃንስን ለጊቡ ኸሎ ኸኣ፡ ኲሉ እቲ ህዝቢ እናተገረመ ኣብቲ ገበላ ሰሎሞን ዝብሃል ናባታቶም ጐየየ። 12ጴጥሮስ ግና ምስ ረኣዮም፡ ነቶም ህዝቢ መለሰሎም፡ ከምዚ ኢሉ፡ ኣቱም ሰብ እስራኤል፡ ንምንታይ በዚ ትግረሙ፡ ብገዛእ ሓይልና ወይስ ብጽድቅና ነዚ ክኸይድ ከም ዝገበርናዮስ፡ ንምንታይ ንኣና ትጥምቱ ኣሎኹም። 13ኣምላኽ ኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን፡ ኣምላኽ ኣቦታትና፡ ንወዱ የሱስ ኣኽበሮ፡ ጲላጦስ ክፍታሕ ምስ ፈረደሉ፡ ንስኻትኩም ንእኡ ኣሕሊፍኩም ሃብኩምዎን ኣብ ቅድሚኡ ኸሓድኩምዎን። 14እወ፡ ንስኻትኩም ነቲ ቅዱስን ጻድቕን ክሒድኩምሲ፡ ነቲ ነፍሲ ዝቐተለ ሰብኣይ ክምሕረልኩም ለመንኩም። 15ነቲ ራእሲ ህይወት ቀተልኩምዎ። ንእኡ ኣምላኽ ካብ ምውታት ኣተንስኦ፡ ንሕና ኸኣ፡ ነዚ ምስክሩ ኢና። 16ብስሙ ምእማን ከኣ፡ ስሙ ነዚ እትርእይዎን እትፈልጥዎን ሰብኣይ ኣጽንዖ፡ እታ ብእኡ ምእማን ድማ ነዚ ኣብ ቅድሚ ዂላትኩም ምሉእ ጥዕና ሃበቶ። 17ሕጂ ድማ፡ ኣሕዋተይ፡ ከምቶም መኳንንትኹም ነዚ ብዘይ ፍልጠት ከም ዝገበርኩምዎ፡ እፈልጥ ኣሎኹ። 18ግናኸ ክርስቶስ መከራ ከም ዝረክብ፡ ኣምላኽ ቅድም ብኣፍ ኲላቶም ነብያት ዝነገሮ ኸምኡ ፈጸሞ። 19እምበኣርስኸ ሓጢኣትኩም ምእንቲ ክድምስሰልኩም፡ ካብ ገጽ እግዚኣብሄር ከኣ ዘመን ዕረፍቲ ምእንቲ ክመጻልኩም፡ 20ነቲ ቕድም ንኣኻትኩም እተሓርየ ክርስቶስ ከኣ ምእንቲ ክሰደልኩምሲ፡ ተነስሑን ተመለሱን። 21ክሳዕ እቲ፡ ኣምላኽ ካብ ጥንቲ ብኣፍ ቅዱሳን ነብያቱ እተዛረቦ ዘመን ምቕናዕ ኲሉ፡ ሰማይ ንየሱስ ክትቅበሎ ይግባእ እዩ። 22ሙሴ ድማ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከም ዝኸማይ ዝበለ ነብዪ ካብ ኣሕዋትኩም ከተንስኣልኩም እዩ እሞ፡ ንሱ ዝብለኩም ዘበለ ኩሉ ስምዑ። 23ክኸውን ከኣ እዩ፡ ነቲ ነብዪ እቲ ዘይትሰምዕ ዘበለት ነፍሲ ካብ ህዝባ ኽትምንቈስ እያ፡ በለ። 24ኲላቶም ነብያት ድማ ካብ ሳሙኤል ሒዞም ክሳዕ እቶም ድሕሪኦም እተዛረቡ ኩላቶም፡ እዘን መዓልትታት እዚኣተን እዮም ዘበሰሩ። 25ንስኻትኩም ውሉድ ነብያትን ውሉድ እቲ፡ ኣምላኽ ንኣብርሃም፡ ኲሎም ኣህዛብ ምድሪ ብዘርእኻ ክባረኹ እዮም፡ ኢሉ ምስ ኣቦታትና ዝኣተዎ ኪዳንን ኢኹም። 26ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍኩም ካብ ክፍኣቱ እናመለሰ ምእንቲ ክባርኸኩምሲ፡ ንወዱ ኣተንሲኡ ቅድሚ ኩሉ ናባኻትኩም ለኣኾ።
ግ.ሃዋ. ምዕራፍ 4
1ንህዝቢ ኽነግሩ ኸለዉ፡ ካህናትን ሓለቓ ሓለውቲ ቤተ መቕደስን ሰዱቃውያንን መጽዎም፡ 2ንህዝቢ ስለ ዝመሃሩን፡ ትንሳኤ ኻብ ምውታት ብየሱስ ስለ ዝሰበኹን፡ ሓሪቖም፡ 3ኢዶም ዘርጊሖም ሓዝዎም፡ ምድሪ መስዩ ነበረ እሞ፡ ክሳዕ ንጽብሒቱ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተውዎም። 4ካብቶም ነቲ ቓሎም ዝሰምዕዎ ብዙሓት ኣመኑ። ቁጽሪ እቶም ሰብኡት ከኣ ኣስታት ሓሙሽተ ሽሕ ኰነ። 5-6ንጽብሒቱ ድማ ዀነ፡ መኳንንቶምን ዓበይቶምን ጸሓፍቶምን ምስኦም ድማ ሃና ሊቀ ኻህናትን ቀያፋን ዮሃንስን እስኪንድሮስን ካብ ዓሌት ሊቃውንቲ ኻህናት ዘበሉ ዅሎምን ኣብ የሩሳሌም ተኣከቡ። 7ኣብ ማእከል ደው ኣቢሎም ድማ፡ በየናይ ሓይሊ ወይስ በየናይ ስም ኢኹም ነዚ ዝገበርኩምዎ፡ ኢሎም ሓተትዎም። 8ሽዑ ጴጥሮስ መንፈስ ቅዱስ መልኦ እሞ በሎም፡ ኣቱም መኳንንቲ ህዝብን ዓበይትን፡ 9ሎሚ ንሕና ንሓደ ሕሙም ሰብኣይ ብዝዀነ ጽቡቕ ግብሪ ንሱውን ብዝሓወየሉ ኻብ እንምርመር፡ 10ብስም እቲ ንስኻትኩም ዝሰቐልኩምዎ እሞ፡ ኣምላኽ ካብ ምውታት ዘተንስኦ የሱስ ክርስቶስ ናዝሬታዊ፡ ብእኡ እዚ ኣብ ቅድሜኹም ጥዕዩ ደው ኢሉ ኸም ዘሎ፡ ኣብ ኲላትኩምን ኣብ ኲሉ ህዝቢ እስራኤልን ይፈለጥ። 11እቲ ንስኻትኩም ነደቕቲ ዝነዓቕኩምዎ እሞ ርእሲ መኣዝን ዝዀነ እምኒ፡ ንሱ እዩ። 12ብእኡ ኽንድሕን ዝግባእ ካልእ ስም ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንሰብ ኣይተዋህበን እሞ፡ ምድሓን ብሓደ ኻልእ ከቶ የልቦን። 13ትብዓት ጴጥሮስን ዮሃንስን ምስ ረኣዩ ዘይተማህሩ ጭዋታት ሰባት ምዃኖም ከኣ ምስ ተረድኡ፡ ገረሞም፡ ምስ የሱስ ከም ዝነበሩ ድማ ኣለለይዎም። 14እቲ ዝሓወየ ሰብኣይ፡ ምስኦም ደው ኢሉ ምስ ረኣይዎ፡ ዝዛረብዎ ሰኣኑ። 15-16ኻብ ዋዕላ ኸግልሱ ኣዘዝዎም እሞ፡ ኣሉ ኽንብላ ዘይዀነልና፡ ኣብ የሩሳሌም ኣብ ዝነብሩ ዂላቶም እተጋህደት ፍልጥቲ ተኣምራት ብኣታቶም ተገይራ እያ እሞ፡ ነዞም ሰባት እዚኣቶም እንታይ ክንገብር ኢና፡ ኢሎም ተመኻኸሩ። 17ኣብ ህዝቢ ምእንቲ እምብዛ ኸይውረ ግና፡ ደጊም ንሓደ ሰብ እኳ ኸይነግሩ ኣምሪርና ንግንሓዮም፡ በሉ። 18ጸዊዖም ድማ፡ ብስም የሱስ ንሓደ እኳ ኸይነግሩ ወይስ ከይምህሩ፡ ኣዘዝዎም። 19-20ጴጥሮስን ዮሃንስን ግና፡ ንሕናስ ነቲ ዝርኣናዮን ዝሰማዕናዮን ምዝራቡ ኽንሓድግ ኣይኰነልናን እዩ እሞ፡ ካብ ኣምላኽ ንኣኻትኩም ምእዛዝ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅኑዕ እንተ ዀይኑስ፡ እስኪ ባዕላትኩም ፍረዱ፡ በልዎም። 21-22እቲ ናይ ምጥዓይ ተኣምራት እተገብረሉ ሰብኣይ፡ ዕድሚኡ ልዕሊ ኣርብዓ ዓመት ስለ ዝነበረ፡ ኲሎም በቲ ዝዀነ ንኣምላኽ የመስግኑ ነበሩ እሞ፡ ንሳቶምውን ብዛዕባ እቲ ህዝቢ ኸመይ ገይሮም ከም ዝቐጽዕዎም ምስ ሰኣኑ፡ ኣፈራሪሆም ሓደግዎም። 23ምስ ተፈትሑ ኸኣ፡ ናብ ሰቦም ከይዶም፡ ሊቃውንቲ ኻህናትን ዓበይትን ዝበልዎ ዂሉ፡ ተዛረብዎም። 24እዚ ምስ ሰምዑ፡ ብሓንሳእ ሓቢሮም ድምጾም ናብ ኣምላኽ ኣልዒሎም በሉ፡ ዎ ሰማይን ምድርን ባሕርን ኣባታተን ዘሎ ዂሉን ዝገበርካ ጐይታ፡ 25ከምቲ ብመንፈስ ቅዱስ ብኣፍ ኣቦና ዳዊት ባርያኻ፡ ስለምንታይ ኣህዛብ ሓረቑ፡ ህዝብስ ከንቱ ሓሰቡ፧ 26ነገስታ ምድሪ ተላዕሉ፡ እቶም መኳንንቲ ድማ ንእግዚኣብሄርን ንመሲሁን ክጻረሩ ብሓደ ተኣከቡ፡ ዝበልካዮ፡ 27-28እቲ ኢድካን ምኽርኻን ክኸውን ኢሉ፡ ቅድም ዝመደቦ ምእንቲ ኽገብሩ፡ ብሓቂ ሄሮድስን ጶንጥዮስ ጲላጦስን ምስ ኣህዛብን ምስ ዓሌታት እስራኤልን ኰይኖም፡ ነቲ ንስኻ ዝቐባእካዮ ቅዱስ ወድኻ የሱስ ክርስቶስ ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ንምጽራር ተኣከቡ። 29-30ሕጂ ድማ፡ ጐይታይ፡ ናብ ምፍርራሆም ርኤ፡ ብስም እቲ ቅዱስ ወድኻ የሱስ፡ ምሕዋይ ሕሙማትን ትእምርትን ተኣምራትን ክኸውን፡ ኢድካ ዘርግሕ፡ ንባሮትካ ድማ ብዂሉ ትብዓት ቃልካ ኽዛረቡ ሃቦም። 31ምስ ለመኑ ኸኣ፡ እታ ተኣኪቦምላ ዘለዉ ስፍራ ተናወጸት፡ ኲላቶም ከኣ መንፈስ ቅዱስ መልኡ፡ ቃል ኣምላኽውን ብትብዓት ተዛረቡ። 32እቶም ዝኣመኑ ዂላቶም ሓንቲ ልብን ሓንቲ ነፍስን ነበሩ፡ ብዂሉ ብርኪ ነበሩ እምበር፡ ሓደ እኳ ኻብ ገንዘቡ፡ እዚ ናተይ እዩ፡ ዝብል ኣይነበሮምን። 33ሃዋርያት ከኣ ብብዙሕ ሓይሊ ብዛዕባ ትንሳኤ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ይምስክሩ ነበሩ፡ ኣብ ኲሎም ከኣ ዓብዪ ጸጋ ነበረ። 34-35ኲላቶም መሬት ወይስ ኣባይቲ ዘለዎም ዘበለ ሸይጦም፡ ንዋጋ እቲ እተሸጠ የምጽእዎ ነበሩ እሞ፡ ኣብ ጥቓ እግሪ ሃዋርያት የንብርዎ፡ ንነፍሲ ወከፍ ከኣ ከከም ዘድልዮ ይመቕልዎ ነበሩ፡ ስለዚ ሓደ ሽጉር እኳ ኣይነበሮምን። 36ዮሴፍ ከኣ፡ ብሃዋርያት በርናባስ እተባህለ፡— ወዲ ምጽንናዕ ዝትርጒሙ፡— ሌዋዊ፡ ቆጵሮስ ዝዓሌቱ፡ 37ነቲ ዘለዎ ግራት ሸይጡ፡ ነቲ ገንዘብ ኣምጺኡ ኣብ ጥቓ እግሪ ሃዋርያት ኣንበሮ።
ግ.ሃዋ.ምዕራፍ 5
1ሃናንያ ዝስሙ ሰብኣይ ምስ ሰጲራ ሰበይቱ ምድሩ ሸጠ። 2ካብቲ ዋጋኡ ኸኣ ምስ ሰበይቱ ተማኺሩ መቒሉ ኣትረፈ፡ ነቲ ሓደ ምቃል ድማ ኣብ ጥቓ እግሪ ሃዋርያት ኣንበሮ። 3ጴጥሮስ ከኣ፡ በል ሃናንያ፡ ንመንፈስ ቅዱስ ክትሕሱ ኻብ ዋጋ እቲ ምድሪ ኸኣ መቒልካ ኽትሓብእሲ፡ ስለምንታይ ሰይጣን ንልብኻ መልኦ፧ 4ከይተሸጠስ ናትካዶ ኣይነበረን፧ ምስ ሸጥካዮስ፡ ኣብ ኢድካዶ ኣይነበረን፧ ከመይ ጌርካኸ ነዚ ነገርዚ ብልብኻ ሓሰብካዮ፧ ንኣምላኽ እምበር፡ ንሰብ ኣይሓሶኻን፡ በሎ። 5ሃናንያ እዚ ቓልዚ ምስ ሰምዐ፡ ወደቐ፡ ነፍሱ ኸኣ ወጸት። እቶም እዚ ዝሰምዑ ዘበሉ ዂሎም ከኣ ኣዝዮም ፈርሁ። 6ኣጒባዝ ድማ ተንሲኦም ገነዝዎ፡ ተሰኪሞም ኣውጺኦምውን ቀበርዎ። 7ኰነ ኸኣ፡ ብድሕሪኡ ኣስታት ሰለስተ ሰዓት ኣቢሉ ሰበይቱ፡ እቲ ዝዀነ ኸይፈለጠት፡ ኣተወት። 8ጴጥሮስ ከኣ፡ እስኪ ንገርኒ፡ ንመሬትኩምዶ በዚ ኽንድዚ ኢኹም ዝሸጥኩምዎ፧ ኢሉ መለሰላ። ንሳ ኸኣ፡ እወ፡ በዚ ኽንድዚ እዩ፡ በለት። 9ጴጥሮስ ድማ፡ ከመይከ መንፈስ እግዚኣብሄር ንምፍታን እተሰማማዕኩም፧ ኣእጋር እቶም ንሰብኣይኪ ዝቐበሩ እንሆ፡ ኣብ ደገ ኣለዋ፡ ንኣኺ ድማ ከውጽኡኺ እዮም፡ በላ። 10ብኡብኡ ኣብ ጥቓ እግሩ ወደቐት እሞ ነፍሳ ወጸት። እቶም ኣጒባዝ ምስ ኣተዉ፡ ሞይታ ጸንሓቶም፡ ተሰኪሞም ኣውጺኦም ከኣ ኣብ ጥቓ ሰብኣያ ቐበርዋ። 11ኣብ ብዘላ እታ ማሕበርን ኣብቶም ነዚ ነገርዚ ዝሰምዑ ዘበሉ ዂላቶምን ከኣ ብዙሕ ፍርሃት ኰነ። 12ብኢድ ሃዋርያት ድማ ብዙሕ ትእምርትን ተኣምራትን ኣብ ማእከል እቲ ህዝቢ ተገብረ፡ ኲላቶም ድማ ብሓንቲ ልቢ ሓቢሮም ኣብ ገበላ ሰሎሞን ነበሩ። 13ካብቶም ካልኦት ደፊሩ እተጸምበሮም ኣይነበረን፡ እቲ ህዝቢ ግና የኽብሮም ነበረ። 14ዝበለጸ እኳ ብዙሓት ሰብኡትን ኣንስትን ብጐይታ ዝኣምኑ ይውሰኽዎም ነበሩ፡ 15ጴጥሮስ ክሓልፍ ከሎ፡ ጽላሎቱ ኣብ ገሊኦም ምእንቲ ኽወድቕ ኢሎም፡ ንሕሙማት ኣብ ዓራትን ኣብ ቃሬዛን ገይሮም፡ ተሰኪሞም ናብ ኣደባባይ የውጽእዎም ነበሩ። 16ኣብ ዙርያ የሩሳሌም ካብ ዘለዋ ኸተማታት ከኣ ብዙሓት ተኣኪቦም ይጒዓዙ ነበሩ፡ ሕሙማትን ብርኹሳት መናፍስቲ ዝሳቐዩን ድማ ኣምጽኡ ዂላቶምውን ሓወዩ። 17ሽዑ እቲ ሊቀ ኻህናት ምስቶም ምስኡ ዝነበሩ ዂላቶም ኰይኑ፡— ንሳቶም ከኣ ሻራ ሰዱቃውያን እዮም፡— ቅንኣት መሊእዎም ተንስኡ። 18ኣእዳዎም ዘርጊሖም ንሃዋርያት ሓዝዎም፡ ናብ ቤት ማእሰርቲ ህዝቢውን ኣእተውዎም። 19-20መልኣኽ እግዚኣብሄር ግና ብለይቲ ማዕጾ ቤት ማእሰርቲ ኸፊቱ ንወጻኢ ኣውጺኡ፡ ኪዱ፡ ኣብ ቤተ መቕደስ ደው ኢልኩም፡ እዚ ዂሉ ቓል ህይወት ንህዝቢ ንገሩ፡ በሎም። 21እዚ ምስ ሰምዑ፡ ኣብ ምውጋሕ ምድሪ ናብ ቤተ መቕደስ ኣትዮም መሃሩ። እቲ ሊቀ ኻህናት እቶም ምስኡ ዘለዉን ግና መጹ፡ እቶም ዋዕላን ኲሎም ዓበይቲ ደቂ እስራኤልን ድማ ክእከቡ ጸውዑ። ከምጽእዎም ከኣ ናብ ቤት ማእሰርቲ ለኣኹ። 22-23እቶም ገላዉ ግና ምስ መጹ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣይረኸብዎምን፡ ተመሊሶም፡ እቲ ቤት ማእሰርቲ ተዓጽዩ ብዂሉ ድማ ገጢሙ፡ እቶም ሓለዉቲውን ኣብ ኣፍ ደገ ደው ኢሎም ጸኒሖምና፡ ምስ ከፈትናዮ ግና፡ ኣብ ውሽጡ ሓደ እኳ ኣይረኸብናን፡ ኢሎም ነገርዎም። 24እቲ ሓለቓ ሓለውቲ ቤተ መቕደስን ሊቃውንቲ ኻህናትን እዚ ነገርዚ ምስ ሰምዑ፡ እንታይ ኰን ይኸውን እዚ፧ ኢሎም፡ ብዛዕባኦም ዝብልዎ ሰኣኑ። 25ሓደ መጺኡ ግና፡ እቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘእቶኹምዎም ሰባትሲ፡ እነዉ፡ ኣብ ቤተ መቕደስ ደው ኢሎም ንህዝቢ ይምህሩ ኣለዉ፡ ኢሉ ነገሮም። 26ሽዑ እቲ ሓለቓ ሓለውቲ ቤተ መቕደስ ምስቶም ገላዉኡ ኸይዱ ኣምጽኦም፡ እቲ ህዝቢ ብዳርባ እምኒ ኸይቀትሎም ስለ ዝፈርሁ ግና ኣየጋፍዕዎምን። 27-28ምስ ኣምጽእዎም፡ ኣብቲ ዋዕላ ደው ኣበልዎም። እቲ ሊቀ ኻህናት ድማ፡ በዚ ስም እዚ ኸይትምህሩዶ ኣምሪርና ኣይከልከልናኩምን፧ እንሆ ኸኣ፡ ንየሩሳሌም ብትምህርትኹም መሊእኩምዋ ደም እቲ ሰብኣይ እቲ ናብ ልዕሌና ኸተምጽኡ ትደልዩ ኣሎኹም፡ ኢሉ መርመሮም። 29ጴጥሮስን ሃዋርያትን ግና፡ ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ምእዛዝ እዩ ዝግባእ። 30ነቲ ንስኻትኩም ኣብ ዕጸይቲ ሰቒልኩም ዝቐተልኩምዎ የሱስ፡ ኣምላኽ ኣቦታትና ኣተንስኦ። 31ንእስራኤል ንስሓን ሕድገት ሓጢኣትን ምእንቲ ኽህብሲ ኣምላኽ ንእኡ ራእስን መድሓንን ገይሩ ናብ የማኑ ልዕል ኣበሎ። 32ንሕና ድማ ነዚ ነገርዚ ምስክር ኢና፡ እቲ፡ ኣምላኽ ነቶም ዝእዘዝዎ ዝሃቦም መንፈስ ቅዱስውን ምስክር እዩ፡ ኢሎም መለሱሎም። 33እዚ ምስ ሰምዑ፡ ሓረቑ ክቐትልዎም ድማ ተማኸሩ። 34ግናኸ ሓደ ኣብቲ ዂሉ ህዝቢ ዝኸበረ መምህር ሕጊ፡ ገማልኤል ዝስሙ ፈሪሳዊ፡ ኣብቲ ዋዕላ ተንሲኡ፡ ንሃዋርያት ሓንሳእ ከግልስዎም ኣዘዘ፡ 35በሎም ድማ፡ ኣቱም ሰብ እስራኤል፡ ኣብዞም ሰባት እዚኣቶም ክትገብርዎ እትሓስብዎ ዘሎኸም ተጠንቀቑሉ። 36ቅድሚ እዚ ወርሓት እዚ ቴዎዳስ፡ ኣነ ዓብዪ እየ፡ ኢሉ ተንስኤ፡ ኣርባዕተ ሚእቲ ዝኣኽሉ ሰባት ከኣ ሰዓብዎ። ንሱ ጠፍአ፡ እቶም ዝሰዓብዎ ዘበሉ ድማ ተበተኑ፡ ከም ዘይነበሩውን ኰኑ። 37ብድሕሪኡ ይሁዳ፡ እቲ ገሊላዊ፡ በተን ቅነ ጽሕፈት ግብሪ ተንስኤ፡ ብዙሕ ህዝቢ ኸኣ ኣስድዐ። ንሱውን ጠፍአ፡ እቶም እተኣዘዝዎ ዘበሉ ዂሎም ድማ ተዘርዉ። 38-39ሕጂ ኸኣ፡ እዚ ምኽሪ እዝን እዚ ግብሪ እዝን ካብ ሰብ እንተ ዀይኑ፡ ክፈርስ እዩ። ካብ ኣምላኽ እንተ ዀይኑ ግና፡ ግብሮም ከተፍርሱ ኣይትኽእሉን ኢኹም እሞ፡ ምስ ኣምላኽ ክትብኣሱ ኸይትርከቡስ፡ ነዞም ሰባት እዚኣቶም ሕደግዎም፡ ገለ ኣይትበልዎም፡ እነግረኩም ኣሎኹ። 40ሕራይ ከኣ ኣበሎም። ንሃዋርያት ጸዊዖም ገረፍዎም፡ ብስም የሱስ ከይዛረቡ ኣዚዞም ከኣ ሓደግዎም። 41ንሳቶም ግና ምእንቲ ስሙ ኽሓስሩ ብቑዓት ኰይኖም ስለ እተቘጽሩ፡ ካብ ቅድሚ እቶም ዋዕላ እናተሓጐሱ ኸዱ። 42ኣብ ቤተ መቕደስ ኣብ በቤትን ብስራት የሱስ ክርስቶስ ምምሃርን ምስባኽን ኣየብኲሩን ነበሩ።
ግ.ሃዋ. ምዕራፍ 6
1በቲ ቕነቲ ደቀ መዛሙርቲ ምስ በዝሑ፡ እቶም ኣይሁድ ጽርኢ በቲ ምምቃል ምግቢ ዕለት፡ ንመበለታቶም ስለ ዝጐሰይወን፡ ኣብቶም እብራውያን ኣጒረምረሙ። 2ሽዑ እቶም ዓሰርተዉ ክልተ ንዂሎም ደቀ መዛሙርቲ ኣኪቦም፡ ንሕና ቓል ኣምላኽ ሓዲግናስ ኣብ መኣዲ ኸነገልግል ዝግባእ ኣይኰነን። 3ስለዚ ኣቱም ኣሕዋት፡ ካባኻትኩም ብጽቡቕ እተመስከረሎም መንፈስን ጥበብን ዝመልኦም ሾብዓተ ሰብኣይ ሕረዩ፡ ነዚ ጒዳይ እዚ ኸኣ ነመዝዞም፡ 4ንሕና ግና ጸሎትን ኣገልግሎት እዚ ቓል እዝን ከየብኰርና ንሓዝ፡ በልዎም። 5እዚ ዘረባ እዚ ንዂሉ እቲ ህዝቢ ባህ ኣበሎ። ነቲ እምነትን መንፈስ ቅዱስን ዝመልኦ ሰብኣይ፡ እስጢፋኖስን ንፊልጶስን ንጵሮኮሮስን ንኒቃኖርን ንጢሞንን ንጰርሜናስን ነቲ ጵሮሴሊት፡ ኒቆላዎስ ብዓል ኣንጾኪያን ሓረዩ። 6ኣብ ቅድሚ ሃዋርያት ከኣ ደው ኣበልዎም፡ እናጸለዩውን ኣእዳዎም ኣንበሩሎም። 7ቃል ኣምላኽ ድማ ተዘርግሐ፡ ቁጽሪ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ ኣብ የሩሳሌም ኣዝዩ እናበዝሐ ኸደ። ብዙሓት ካብ ካህናትውን ንእምነት ተኣዘዙ። 8እስጢፋኖስ ድማ ጸጋን ሓይልን መሊእዎ ነበረ እሞ፡ ኣብ ማእከል እቲ ህዝቢ ዓበይቲ ትእምርትን ተኣምራትን ይገብር ነበረ። 9ሊቤርጢኖን ካብ እትብሃል ቤት ጸሎትን ካብ ቄሬኔዎንን ካብ እስኪንድርያን ካብ ቂልቅያን ካብ እስያን ግና ንእስጢፋኖስ ተንስእዎ ይከራኸርዎ ኸኣ ነበሩ። 10ነቲ ዝዛረበሉ ዝነበረ ጥበብን መንፈስን ግና ክማጐትዎ ኣይተኻእሎምን። 11ሽዑ ኸኣ፡ ንሕና ኣብ ሙሴን ኣብ ኣምላኽን ቃል ጸርፊ ኽዛረብ ከሎ ሰሚዕናዮ፡ ዝብሉ ሰባት ሓበሉ። 12ንህዝብን ንዓበይትን ንጻሓፍትን ኣነዓቡ፡ መጺኦም ከኣ መንዚዖም ናብ ዋዕላ ወሰድዎ እሞ፡ 13-14እዚ ሰብኣይ እዚ፡ የሱስ፡ እቲ ብዓል ናዝሬት፡ ነዛ ስፍራ እዚኣ ኸፍርሳ፡ ነቲ ሙሴ ዝሃበና ስርዓት ከኣ ክልውጦ እዩ፡ ክብል ከሎ ሰሚዕናዮ ኣሎና እሞ፡ ነዛ ቅድስቲ ስፍራ እዚኣን ንሕግን ቃላት ጸርፊ ኻብ ምዝራብ ከቶ ኣይዓርፍን እዩ፡ ዝብል ምስክር ሓሶት ኣተንስኡሉ። 15እቶም ኣብቲ ዋዕላ ተቐሚጦም ዝነበሩ ዂላቶም ድማ ጠመትዎ እሞ ገጹ ኸም ገጽ መልኣኽ ኰይኑ ተራእዮም።
ግ.ሃዋ. ምዕራፍ 7
1እቲ ሊቀ ኻህናት ከኣ፡ እዚ ነገር ከምኡ ድዩ፧ በሎ። 2ንሱ ግና በለ፡ ኣቱም ኣሕዋትናን ኣቦታትና፡ ስምዑ። ነቦና ኣብርሃም፡ ገና ኣብ ካራን ከይተቐመጠ ኣብ መሰጶታምያ ኸሎ፡ ኣምላኽ ክብሪ ተራእዮ እሞ፡ 3ካብ ምድርኻን ካብ ኣዝማድካን ውጻእ፡ ናብቲ ኣነ ዘርእየካ ምድሪ ንዓ፡ በሎ። 4ሽዑ ኻብ ምድሪ ከለዳውያን ወጺኡ ኣብ ካራን ተቐመጠ። ኣቦኡ ምስ ሞተ ኸኣ፡ ኣምላኽ ካብኡ ናብዚ ሕጂ ዘሎኹምዎ ምድሪ ኣግዓዞ። 5ኣብኡ ድማ መርገጽ እግሪ ዝኣክል እኳ ርስቲ ኣይሃቦን፡ ውሉድ ዘይብሉ ኽነሱስ፡ እቲ ምድሪ ንእኡን ብድሕሪኡውን ንዘርኡን ከም ዘረስትዮ፡ ኣተስፈዎ። 6ኣምላኽ ድማ ከምዚ ኢሉ ተዛረበ፡ ዘርእኻ ኣብ ካልእ ምድሪ ስደተኛ ክኸውን እዩ፡ ክገዝእዎ ኣርባዕተ ሚእቲ ዓመትውን ከጽብቡሉ እዮም፡ 7ነቶም ዝገዝእዎም ህዝቢ ኸኣ ኣነ ኽፈርዶም እየ፡ በለ ኣምላኽ፡ እንድሕርዚ ኻብኡ ኽወጹ እሞ ኣብዛ ስፍራ እዚኣ ኸገልግሉኒ እዮም። 8ኪዳን ግዝረት ከኣ ሃቦ። ከምኡ ድማ ንይስሃቅ ወለዶ እሞ ኣብ ሳምነይቲ መዓልቲ ገዘሮ። ይስሃቅ ድማ ንያእቆብ ወለዶ፡ ያእቆብ ከኣ ንዓሰርተው ክልተ ርእሲ ኣቦታት ወለዶም። 9እቶም ርእሲ ኣቦታት ድማ ንዮሴፍ ቀኒኦምሉ ናብ ግብጺ ሸጥዎ፡ ኣምላኽ ግና ምስኡ ነበረ። 10ካብ ኲሉ ጸበባኡ ኸኣ ኣርሃወሉ፡ ኣብ ቅድሚ ፈርኦን ንጉስ ግብጺ ድማ ዕድልን ጥበብን ሃቦ። ንሱውን ኣብ ግብጽን ኣብ ኲሉ ቤቱን ኣርኣሶ። 11ኣብ ኲሉ ግብጽን ከነኣንን ከኣ ጥሜትን ብዙሕ ጸበባን ኰነ። ኣቦታትና ድማ ዝምገብዎ ሰኣኑ። 12ሽዑ ያእቆብ ኣብ ግብጺ እኽሊ ኸም ዝርከብ ምስ ሰምዐ፡ ነቦታትና ቐዳማይ ግዜ ለኣኾም። 13ኣብ ካልኣዮም ከኣ ንዮሴፍ ኣሕዋቱ ኣለለይዎ፡ ዓሌቱውን ኣብ ፈርኦን ተፈልጠ። 14ዮሴፍ ከኣ ነቦኡ ያእቆብን ነቶም ሰብዓን ሓሙሽተን ነፍሲ ዝዀኑ ዂሎም ኣዝማዱን ልኢኹ ጸውዖም። 15ያእቆብ ድማ ናብ ግብጺ ወረደ፡ ንሱ ሞተ ኣቦታትናውን ሞቱ። 16ናብ ሰኬም ድማ ኣግዓዝዎም፡ ኣብቲ ኣብርሃም ካብ ደቂ ኤሞር ብወርቂ ዝዓደጎ መቓብር ኣብ ሰኬም ቀበርዎ። 17-18ክሳዕ ንዮሴፍ ዘይፈልጦ ኻልእ ንጉስ ኣብ ግብጺ ዝትንስእ፡ እቲ ኣምላኽ ንኣብርሃም ዝመሓለሉ ዘመን ተስፋ እናቐረበ፡ እቲ ህዝቢ ኣብ ግብጺ ዓመረን በዝሐን 19እዚ ንጉስ እዚ ንዓሌትና ተተናዀሎም፡ ነቦታትና ኸኣ፡ ሕጻናቶም ምእንቲ ኸይዓብዩ፡ ክሳዕ ዝድርብዩ ጨቈኖም። 20በቲ ዘመን እቲ ሙሴ ተወልደ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከኣ ጽቡቕ ነበረ፡ ሰለስተ ወርሒውን ኣብ ቤት ኣቦኡ ተመገበ። 21ምስ ተደርበየ ግና፡ ጓል ፈርኦን ኣልዓለቶ፡ ወዳ ክኸውን ከኣ ኣዕበየቶ። 22ሙሴ ድማ ኲሉ ጥበብ ግብጻውያን ተማህረ፡ ብቓሉን ብግብሩን ከኣ በርትዐ። 23ወዲ ኣርብዓ ዓመት ምስ ኰነ ድማ፡ ነሕዋቱ ደቂ እስራኤል ክበጽሕ ኣብ ልቡ ሓሳብ ኣተዎ። 24ካባታቶም ሓደ ኸም እተዓመጸ ምስ ረኣየ ድማ፡ ሕነ እቲ ዕሙጽ ዘርዩ ነቲ ግብጻዊ ቐተሎ። 25እቶም ኣሕዋቱ ግዳ ኣየስተውዓልዎን እምበር፡ ኣምላኽ ብኢዱ ገይሩ ምድሓን ከም ዝህቦም፡ ዘስተውዕሉ ይመስሎ ነበረ። 26ንጽብሒቱ ኸኣ ንሓድሕዶም ክብኣሱ ኸለዉ፡ መጾም። ከተዓርቖም ደልዩ ኸኣ፡ ኣቱም ሰባት፡ ኣሕዋት ኢኹም፡ ከመይከ ንሓድሕድኩም እትተዓማመጹ፧ በሎም። 27-28እቲ ንብጻዩ ዝዕምጾ ዝነበረ ግና፡ ንኣኻ መን ሓለቓን ፈራድን ገይሩ፡ ኣባና ሸይሙካ፧ ከምቲ ትማሊ ነቲ ግብጻዊ ዝቐተልካዮዶ ኽትቀትለኒ ትደሊ ኣሎኻ፧ ኢሉ ደፍኦ። 29ሙሴ ድማ ብዛዕባ እዚ ዘረባ እዚ ሃደመ፡ ኣብ ምድሪ ምድያን ድማ ስደተኛ ዀነ፡ ኣብኡ ኸኣ ክልተ ኣወዳት ወለደ። 30ኣርብዓ ዓመት ምስ መልአ ድማ፡ ኣብ በረኻ ደብረ ሲና መልኣኽ ብዝነድድ ኣሻዂ ቈጥቋጥ ተራእዮ። 31-32ሙሴ እዚ ትርኢት እዚ ምስ ረኣየ፡ ተገረመ፡ ክጥምቶ እንተ ቐረበ ድማ፡ ኣነ ኣምላኽ ኣቦታትካ፡ ኣምላኽ ኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን እየ፡ ዝብል ድምጺ እግዚኣብሄር ተሰምዐ። ሽዑ ሙሴ ኣንቀጥቀጠ ኽጥምት ከኣ ኣይደፈረን። 33እግዚኣብሄር ድማ፡ እዛ ደው ኢልካያ ዘሎኻ ቦታ ቅድስቲ ምድሪ እያ እሞ፡ ኣሳንእንካ ኣውጽእ። 34መከራ እቶም ኣብ ግብጺ ዘለዉ ህዝበይ ኣጸቢቐ ርኤኹ እህህታኦም ከኣ ሰማዕኩ ኸውጽኦምውን ወረድኩ፡ ሕጂ ኸኣ ናብ ግብጺ ኽልእከካ፡ ንዓ፡ በሎ። 35ነዚ፡ ሓለቓን ፈራድን ገይሩ መን እዩ ዝሸመካ፧ ኢሎም ዝነቐፍዎ ሙሴ፡ ንእኡ ኣምላኽ፡ ብኢድ እቲ ኣብ ኣሻዂ ቈጥቋጥ እተራእዮ መልኣኽ ገይሩ፡ ሓለቓን መድሓንን ምእንቲ ክኸውን ለኣኾ። 36ንሱ ኸኣ ኣብ ግብጽን ኣብ ባሕሪ ኤርትራን ኣብ በረኻን ኣርብዓ ዓመት ትእምርትን ተኣምራትን እናገበረ ኣውጽኦም። 37እቲ ንደቂ እስራኤል፡ ኣምላኽ ካብ ኣሕዋትኩም ከም ዝኸማይ ዝበለ ነብዪ ኸተንስኣልኩም እዩ፡ ንእኡ ስምዕዎ፡ ዝበሎም፡ እዚ ሙሴ እዚ እዩ። 38ኣብ ማሕበር ኣብ በረኻ ምስቲ ኣብ ደብረ ሲና እተዛረቦ መልኣኽ ምስ ኣቦታትናን ዝነበረ፡ ምእንቲ ንኣና ኽህቦ ኸኣ ነቲ ህያው ቃል እተቐበለ፡ ንሱ እዩ። 39ንእኡ ኣቦታትና ኣበይዎ እምበር፡ ክእዘዝዎ ኣይደለዩን፡ ብልቦምውን ናብ ግብጺ ተመልሱ። 40ንኣሮን ድማ፡ እቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘውጽኣና ሙሴ እንታይ ከም ዝረኸቦ ኣይንፈልጥን ኢና እሞ፡ ቀቅድሜና ዝኸዱ ኣማልኽቲ ግበረልና፡ በልዎ። 41በቲ ቕነቲ ምራኽ ገበሩ፡ መስዋእቲ ድማ ነቲ ምስሊ ጣኦት ሰውኡ፡ ብግብሪ ኣእዳዎም ከኣ ደስ በሎም። 42-43ኣምላኽ ግና ካባታቶም ኣግለሰ፡ ኣብ መጽሓፍ ነብያት፡ ኣቱም ቤት እስራኤል፡ በተን ኣርብዓ ዓመት ኣብ በረኻኸ ሕሩድን ካልእ መስዋእትንሲ ኣቕሪብኩምለይ ዲኹም፧ ምንም፡ ምእንቲ ኽትሰግዱሎም ኢልኩም ዝገበርኩምዎም ምስልታት፡ ድንኳን ሞሎኽን ኰዀብ ኣምላኽኩም ሬፋንን ኢኹም ዝጾርኩም። ስለዚ ኣነ ኽንየው ባቢሎን ከግዕዘኩም እየ፡ ዝብል ጽሑፍ ከም ዘሎ፡ ንሰራዊት ሰማይ ከምልኹ ፈንዩ ሓደጎም። 44እቲ ንሙሴ ዝነገሮ፡ ከምታ ዝረኣያ ምስሊ ገይሩ ኽሰርሓ ዝኣዘዞ ድንኳን ምስክር ኣብ በረኻ ምስ ኣቦታትና ነበረት። 45ኣቦታትና ድማ ተቐቢሎምዋ፡ ብእያሱ ተመሪሖም ክወርሱ ኸለዉ፡ ናብታ ኣምላኽ ክሳዕ ዘመን ዳዊት ካብ ገጽ ኣቦታትና ዝሰጐጎም ኣህዛብ ዝነበርዋ ሃገር ኣእተውዋ። 46ዳዊት ድማ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዕድል ረኸበ፡ ንኣምላኽ ያእቆብ ዝኸውን ማሕደር ክረክብ ከኣ ለመነ። 47ቤት ዝሃነጸሉ ግና ሰሎሞን እዩ። 48-50ነብዪ ኸም ዝብል፡ ሰማይ ዝፋነይ፡ ምድሪ ኸኣ መርገጽ እግረይ እዩ። ከመይ ዝበለት ቤት እያ እትሃንጹለይ፧ ወይስ ኣየነይቲ ስፍራ እያ ዝዓርፈላ፧ እዚ ዂሉስ ኢደይዶ ኣይገበረቶን፧ ይብል እግዚኣብሄር፡ እቲ ልዑል ብኢድ ሰብ ኣብ እተሃንጸት ቤት ኣይነብርን እዩ። 51ኣቱም ልብኹምን ኣእዛንኩምን ዘይተገዝረ ተረርቲ ኽሳድ፡ ንስኻትኩም ኲሉ ግዜ ንመንፈስ ቅዱስ ትጻረርዎ ኣሎኹም። ከምቲ ኣቦታትኩም ዝገበርዎ፡ ንስኻትኩም ድማ ከምኡ ትገብሩ ኣሎኹም። 52ካብ ነብያትከ ኣቦታትኩም ዘይሰጐጒዎ መን እዩ፧ ነቶም ብዛዕባ ምምጻእ እቲ ጻድቕ ኣቐዲሞም ዘበሰሩ ድማ ቐተልዎም። ሕጂ ውን ንስኻትኩም ኣሕሊፍኩም ወሃብቱን ቀተልቱን ኰንኩም። 53ንስኻትኩም ነቲ ሕጊ ብኢድ መላእኽቲ ተቐቢልኩምዎስ ኣይሓሎኹምዎን። 54እዚ ምስ ሰምዑ፡ ልቦም ነደደ፡ ኣስናኖም ከኣ ሓርቀሙሉ። 55ንሱ ግና መንፈስ ቅዱስ መልኦ፡ ናብ ሰማይ ኣንቃዕሪሩ ኸኣ ክብሪ ኣምላኽን የሱስ ድማ ኣብ የማን ኣምላኽ ደው ኢሉን ረኣየ እሞ፡ 56እንሆ፡ ሰማይ ተኸፊቱ፡ ወዲ ሰብ ድማ ኣብ የማን ኣምላኽ ደው ኢሉ እርኢ ኣሎኹ፡ በለ። 57ሽዑ ዓው ኢሎም ጨደሩ ኣእዛኖም ደፊኖም ድማ፡ ሓቢሮም ብሓንሳእ ወረርዎ። 58ናብ ወጻኢ እታ ኸተማ ወሲዶም ከኣ ብዳርባ እምኒ ቐተልዎ። እቶም ምስክር ድማ ክዳውንቶም ኣብ ጥቓ ኣእጋር ሳውል ዝብሃል ጐበዝ ኣንበሩ። 59ንእስጢፋኖስ ከኣ እናተማህለለን፡ ጐይታይ የሱስ፡ መንፈሰይ ተቐበል፡ እናበለን፡ ብዳርባ እምኒ ቐተልዎ። 60ተምበርኪኹ ኸኣ ብዓብዪ ድምጺ፡ ጐይታይ፡ እዚ ሓጢኣት እዚ ኣይትሓዘሎም፡ ኢሉ ጨደረ። እዚ ምስ በለውን ዓረፈ።
ግ.ሃዋ. ምዕራፍ 8
1ሳውል ድማ ንምቕታሉ ሰሚሩ ነበረ። በታ መዓልቲ እቲኣ ነታ ኣብ የሩሳሌም ዘላ ማሕበር ብርቱዕ ምስጓግ ኰነ። ብዘይ ሃዋርያት ከኣ ኲሎም ናብ ሃገር ይሁዳን ሰማርያን ተበተኑ። 2እግዚኣብሄር ዝፈርሁ ሰባት ድማ ንእስጢፋኖስ ቀበርዎ፡ ብርቱዕ ብኽያትውን በኸዩሉ። 3ሳውል ግና ነታ ማሕበር የጥፍኣ፡ ናብ ኣባይቲ እናኣተወ ሰብኡትን ኣንስትን ሰስሒቡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ የእትዎም ነበረ። 4እቶም እተበተኑ ግና ቃል ወንጌል እናነገሩ ዞሩ። 5ፊልጶስ ከኣ ናብ ሓንቲ ኸተማ ሰማርያ ወሪዱ ክርስቶስ ሰበኸሎም። 6-7ካብቶም ርኹሳት መናፍስቲ ዝሓደርዎም ብዙሓት ሰብ ድማ እቶም መናፍስቲ ብዓብዪ ድምጺ እናጨደሩ ወጹ። ብዙሓት ድኑሳትን ሓንካሳትን ከኣ ሓወዩ እሞ፡ እቶም ህዝቢ ነቲ ፊልጶስ ዝገበሮ ትእምርቲ ምስ ሰምዑን ምስ ረኣዩን፡ ሓቢሮም ናብቲ ንሱ ዝዛረቦ ዘሎ ኣቕለቡ። 8ኣብታ ኸተማ እቲኣ ድማ ዓብዪ ሓጐስ ኰነ። 9ስምኦን ዝብሃል ጠንቋሊ ሰብኣይ ግና ካብ ቀደም ሒዙ ኣብታ ኸተማ ነበረ፡ ንሱ ኸኣ ዓብዪ እየ ብምባሉ ንህዝቢ ሰማርያ የስተንክሮም ነበረ። 10ካብ ንእሽቶኦም ክሳዕ ዓብዪኦም ኲላቶም፡ እቲ ዓብዪ ዝብሃል ሓይሊ ኣምላኽ እዚ እዩ፡ እናበሉ ጽን ይብልዎ ነበሩ። 11ሓያሎ ዘመን ብጥንቈላኡ ስለ ዘስተንከሮም ድማ፡ ጽን ይብልዎ ነበሩ። 12ፊልጶስ ግና ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽን ብዛዕባ ስም የሱስ ክርስቶስን ኣበሲርዎም፡ ምስ ኣመንዎ፡ ሰብኡትን ኣንስትን ተጠምቁ። 13ስምኦን ባዕሉ እኳ ድማ ኣመነ፡ ምስ ተጠምቀ ኸኣ፡ ናብ ፊልጶስ ለገበ። ትእምርትን ዓበይቲ ሓይላትን ክግበር ምስ ረኣየውን፡ ተገረመ። 14እቶም ኣብ የሩሳሌም ዘለዉ ሃዋርያት ከኣ ሰማርያ ቓል ኣምላኽ ከም እተቐበለት ሰምዑ፡ ንጴጥሮስን ንዮሃንስን ሰደዱሎም። 15-16ብስም ጐይታና የሱስ ጥራይ ደኣ ተጠሚቖም ነበሩ እምበር፡ መንፈስ ቅዱስ ገና ኣብ ሓደ ኻባታቶም እኳ ኣይወረደን ነበረ እሞ፡ ጴጥሮስን ዮሃንስን ወሪዶም፡ መንፈስ ቅዱስ ምእንቲ ክቕበሉ፡ ጸለዩሎም። 17ሽዑ ኣእዳዎም ኣንበሩሎም እሞ መንፈስ ቅዱስ ተቐበሉ። 18-19ስምኦን ከኣ መንፈስ ቅዱስ በቲ ምንባር ኣእዳው ሃዋርያት ከም እተዋህበ ምስ ረኣየ፡ እቲ ኢደይ ዘንብረሉ፡ መንፈስ ቅዱስ ምእንቲ ክቕበልሲ፡ ንኣይ ከኣ እዚ ስልጣን እዚ ሃቡኒ፡ ኢሉ ገንዘብ ኣምጽኣሎም። 20ጴጥሮስ ግና፡ ነቲ ህያብ ኣምላኽ ብገንዘብ ክትገዝኦ ስለ ዝሓሰብካ፡ ወርቅኻ ምሳኻ ይጥፋእ፡ 21ልብኻ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅኑዕ ስለ ዘይኰነ ኸኣ፡ ኣብዚ ነገር እዚ ኽፍሊ ወይ ግደ የብልካን። 22እምብኣርሲ ኻብዚ ኽፍኣትካ እዚ ተነሳሕ፡ ምናልባሽ ሓሳብ ልብኻ እንተ ሓደገልካ፡ ንእግዚኣብሄር ለምኖ። 23ኣብ መሪር መርዝን ኣብ ማእሰርቲ ግፍዕን ምህላውካ እርእየካ ኣሎኹ፡ በሎ። 24ስምኦን ከኣ፡ ካብዚ ዝበልኩምዎ ሓደ እኳ ኸይበጽሓንስ፡ ንእግዚኣብሄር ለምኑለይ፡ ኢሉ መለሰ። 25ንሳቶም ከኣ ቃል ጐይታ ምስ መስከሩን ምስ መሃሩን፡ ኣብ ብዙሓት ዓድታት ሰማርያ ወንጌል እናሰበኹ ናብ የሩሳሌም ተመልሱ። 26መልኣኽ እግዚኣብሄር ግና ንፊልጶስ፡ ተንስእ እሞ በታ ኻብ የሩሳሌም ንጋዛ እተውርድ መገዲ ናብ ደቡብ ኣቢልካ ኺድ፡ ንሳ ኸኣ ባዲማ እያ፡ ኢሉ ተዛረቦ። 27ተንሲኡ ኸኣ ከደ። እንሆ ድማ፡ ኢትዮጵያዊ ስሉብ ሰብኣይ ኣብ ህንደኬ ንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ስልጡን ኣዛዝ ኲሉ ገንዘብ ዝነበረ፡ ክሰግድ ናብ የሩሳሌም መጺኡ ነበረ። 28ክምለስ ከሎ ኸኣ፡ ኣብ ሰረገላኡ ተቐሚጡ ትንቢት ኢሳይያስ የንብብ ነበረ። 29መንፈስ ከኣ ንፊልጶስ፡ ሕለፍ፡ ናብቲ ሰረገላ ቕረብ፡ በሎ። 30ፊልጶስ ናብኡ ጐየየ፡ ነብዪ ኢሳይያስ ከንብብ ሰምዖ እሞ፡ እዚ እተንብቦስ ተስተውዕሎዶ ኣሎኻ፧ በሎ። 31ንሱ ኸኣ፡ ሓደ እኳ ኸይመሃረኒ፡ ከመይ ኢሉ ይዀነለይ፧ በለ። ንፊልጶስ ከኣ ደዪቡ ምስኡ ክቕመጥ ለመኖ። 32እቲ ዘንብቦ ዝነበረ ኽፍሊ ጽሑፍ ከኣ እዚ እዩ፡ ከም በጊዕ ናብ ማሕረዲ ተሳሕበ፡ ኣብ ኢድ ቈራጺኡ ስቕ ከም ዝብል ገንሸል ከኣ፡ ከምኡ ኣፉ ኣይከፈተን። 33ብምውራዱ ፍርዱ ተሳዕረ፡ ህይወቱ ኻብ ምድሪ ተመንቁሳ እያ እሞ፡ ንወለዶኡ መን ከዘንትዎ ይኽእል፧ 34እቲ ስሉብ ከኣ ንፊልጶስ፡ እቲ ነብዪ ብዛዕባ መን እዩ እዚ ዝብል ዘሎ፧ ብዛዕባ ርእሱዶ ወይስ ብዛዕባ ኻልእ እዩ ዝብል ዘሎ፧ እስኪ ንገረኒ፡ እልምነካ ኣሎኹ፡ ኢሉ መለሰሉ። 35ፊልጶስ ከኣ ኣፉ ኸፈተ፡ ካብዛ ጽሕፈት እዚኣ ጀሚሩ ድማ ብዛዕባ የሱስ ወንጌል ሰበኸሉ። 36መገዲ ክኸዱ ኸለዉ ድማ፡ ናብ ማይ በጽሑ። እቲ ስሉብ ከኣ፡ እንሆ ማይ፡ ከይጥመቕከ እንታይ ይኽልክለኒ፧ በለ። 37ፊልጶስ ከኣ፡ ብዂሉ ልብኻ እንተ ኣሚንካስ፡ ይዀነልካ እዩ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ የሱስ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ እኣምን ኣሎኹ፡ ኢሉ መለሰሉ። 38ነታ ሰረገላ ደው ከብልዋ ኸኣ ኣዘዘ፡ ፊልጶስን እቲ ስሉብን ክልቲኣቶም ናብቲ ማይ ወረዱ፡ ኣጥመቖውን። 39ካብ ማይ ምስ ወጹ ኸኣ፡ መንፈስ እግዚኣብሄር ንፊልጶስ መንዝዖ። እቲ ስሉብ ድማ ባህ ኢልዎ መገዱ ኸደ እምበር፡ መሊሱ ኣይረኣዮን። 40ፊልጶስ ድማ ኣብ ኣዛጦን ተረኽበ፡ ናብ ቂሳርያ ኽሳዕ ዝመጽእ ከኣ፡ ናብ ኲሉ ኸተማታት እናዞረ ወንጌል ይሰብኽ ነበረ።
ግ.ሃዋ. ምዕራፍ 9
1-2ግናኸ ሳውል ገና ብምፍርራህን ብምቕታልን ኣብ ደቀ መዛሙርቲ ጐይታ ነዲሩ ነበረ እሞ ዝዀነ ይኹን በዛ መገዲ እዚኣ ዘለዉ ሰብኡት ወይስ ኣንስቲ እንተ ረኸበ፡ ኣኣሲሩ ንየሩሳሌም ምእንቲ ኸምጽኦም፡ ናብ ሊቀ ኻህናት ከይዱ ናብተን ኣብ ደማስቆ ዘለዋ ኣባይቲ ጸሎት እትበጽሕ ደብዳበ ኻብኡ ለመነ። 3ክኸይድ ከሎ ኸኣ፡ ናብ ደማስቆ ምስ ቀረበ፡ ብድንገት ጸዳል ብርሃን ካብ ሰማይ ኣብ ዙርያኡ ኣንጸባረቐ። 4ናብ ምድሪውን ወደቐ፡ ሳውል፡ ሳውል፡ ንምንታይ እትሰጐኒ፧ ዝብል ድምጺ ኸኣ ሰምዐ። 5ንሱ ድማ፡ ጐይታይ፡ መን ኢኻ፧ በለ። ጐይታ ኸኣ፡ ኣነ እቲ ንስኻ እትሰጎ ዘሎኻ የሱስ እየ። ኣብ ኣንፊ ብልሒ እንተ ኣድሓርሓርካ፡ ንርእስኻ እዩ ዝገደካ፡ በሎ። 6ንሱ ኸኣ እናኣንበድበደን እናፈርሀን፡ ጐይታይ፡ እንታይ ክገብር ትደሊ ኣሎኻ፧ በሎ። ጐይታ ድማ፡ ተንስእ እሞ ናብ ከተማ እቶ፡ እንታይ ክትገብር ከም ዝግብኣካውን፡ ኣብኡ ኽነግሩኻ እዮም፡ በሎ። 7እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰብ፡ ድምጺ እናሰምዑ ገለ እኳ ኸይረኣዩ፡ ደንጽይዎም ደው በሉ። 8ሳውል ካብ ምድሪ ተንሲኡ ኣዒንቱ ቛሕ እንተ ኣበለ፡ ገለ እኳ ኣይረኣየን። ብኢዱ መሪሖም ናብ ደማስቆ ኣእተውዎ። 9ከይረኣየን ከይበልዐን ከይሰተየን ድማ ሰለስተ መዓልቲ ገበረ። 10ኣብ ደማስቆ ኸኣ ሃናንያ ዝብሃል ወደ መዝሙር ነበረ። ንእኡ ጐይታ ብራእይ፡ ሃናንያ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ እኔኹ፡ ጐይታይ፡ በለ። 11ጐይታ ድማ፡ ተንስእ እሞ ናብቲ ቕኑዕ ዝብሃል መተሓላለፊ ኺድ፡ ሳውል ዝብሃል ሰብኣይ ብዓል ጠርሴስ፡ እንሆ፡ ይጽሊ ኣሎ እሞ፡ ኣብ ቤት ይሁዳ ድለዮ፡ 12ንሱውን ሃናንያ ዝብሃል ሰብኣይ ኣትዩ፡ ምእንቲ ኽርኢ ኢዱ ኸንብረሉ ብራእይ ርእዩ ኣሎ፡ በሎ። 13ሃናንያ ግና፡ ጐይታይ፡ ብዛዕባ እዚ ሰብኣይዚ ኣብ የሩሳሌም ንቕዱሳንካ ኽንደይ ክፉእ ከም ዝገበሮም፡ ካብ ብዙሓት ሰሚዐ ኣሎኹ። 14ኣብዚ ድማ ስምካ ንዝጽውዑ ዂላቶም ክኣስር፡ ካብ ሊቃውንቲ ኻህናት ስልጣን ኣለዎ፡ ኢሉ መለሰ። 15-16ጐይታ ግና፡ እዚ ሰብኣይ እዚ ኣብ ቅድሚ ኣህዛብን ኣብ ቅድሚ ነገስታትን ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤልን ስመይ ክጸውር፡ ንኣይ ሕሩይ ኣቕሓ እዩ እሞ፡ ምእንቲ ስመይ ክንደይ ብዙሕ ሓሳረ መከራ ኽጸግብ ከም ዝግብኦ ኸርእዮ እየ፡ ስለዚ ኺድ ደኣ፡ በሎ። 17ሽዑ ሃናንያ ኸደ እሞ ናብ ቤት ኣተወ፡ ኢዱ ኣብኡ ኣንቢሩ ኸኣ፡ ኣታ ሳውል ሓወይ፡ እቲ ኽትመጽእ ከሎኻ ኣብ መገዲ እተራእየካ ጐይታና የሱስ፡ ክትርእን መንፈስ ቅዱስ ክመልኣካን፡ ናባኻ ልኢኹኒ፡ በሎ። 18ብኡብኡ ኸኣ ካብ ኣዒንቱ ኸም ቅራፍ ዝበለ ወደቐ እሞ ረኣየ፡ ተንሲኡውን ተጠምቀ። 19ምግቢ ምስ ተመገበ ድማ፡ በርትዐ። ሳውል ከኣ ምስቶም ኣብ ደማስቆ ዘለዉ ደቀ መዛሙርቲ ሓያሎ መዓልቲ ተቐመጠ። 20ብኡብኡ ድማ ኣብ ኣባይቲ ጸሎቶም ብዛዕባ የሱስ፡ ንሱ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ሰበኸ። 21ዝሰምዕዎ ዘበሉ ዂላቶም ከኣ ተገረሙ እሞ፡ እቲ ኣብ የሩሳሌም ነቶም ነዚ ስምዚ ዝጽውዑ ዘበሉ ዘጥፍእ ዝነበረስ፡ እዚዶ ኣይኰነን፧ ኣእሲሩ ናብ ሊቃውንቲ ኻህናት ምእንቲ ኽወስዶም ድማ፡ ናብዚ ዝመጸን፧ በሉ። 22ሳውል ግና እናበርትዐ ኸደ፡ ነቶም ኣብ ደማስቆ ዝነብሩ ኣይሁድ ከኣ የሱስ እቲ ክርስቶስ ምዃኑ ብምግሃድ ኣፎም የትሕዞም ነበረ። 23ብዙሕ መዓልቲ ምስ ሓለፈ ድማ፡ ኣይሁድ ክቐትልዎ ሓቢሮም ተማኸሩ። 24ሳውል ግና ምኽሮም ፈለጠ። ምእንቲ ክቐትልዎ ኸኣ ለይትን መዓልትን ነቲ በሪታት ይሕልውዎ ነበሩ። 25እቶም ደቀ መዛሙርቲ ግና፡ ብለይቲ ወሲዶም ኣብ ከፈር ገይሮም፡ ብቐጽሪ ኣውረድዎ። 26ናብ የሩሳሌም ምስ መጸ ኸኣ፡ ናብቶም ደቀ መዛሙርቲ ኽሕወስ ፈተነ፡ ንሳቶም ግና፡ ወደ መዝሙር ምዃኑ ስለ ዘይኣመንዎ፡ ኲላቶም ፈርሁ። 27በርናባስ ግና ተቐቢሉ ናብ ሃዋርያት ኣምጽኦ፡ ጐይታ ኣብ መገዲ ኸመይ ከም እተራእዮን ከም እተዛረቦን፡ ኣብ ደማስቆ ድማ ብስም የሱስ ከመይ ገይሩ ብትብዓት ከም ዝመሃረን ነገሮም። 28ኣብ የሩሳሌም ከኣ ተቢዑ ብስም ጐይታ እናተዛረበ፡ ምሳታቶም ይኣቱን ይወጽእን ነበረ። 29ምስቶም ካብ ጽርኣውያን ዝነበሩ ኣይሁድ ከኣ ይዛረብን ይካራኸርን ነበረ፡ ንሳቶም ግና ክቐትልዎ ደለዩ። 30እቶም ኣሕዋት ምስ ፈለጡ ድማ፡ ናብ ቂሳርያ ኣውረድዎ ናብ ጠርሴስውን ሰደድዎ። 31ከምኡ ኸኣ ነታ ኣብ ኲላ ይሁዳን ገሊላን ሰማርያን ዝነበረት ማሕበር ብዘላ ሰላም ኰነላ፡ እናተሃንጸትን ብፍርሃት እግዚኣብሄር እናተመላለሰትን ብምርዳእ መንፈስ ቅዱስ እናዓበየትን ከደት። 32ኰነ ኸኣ፡ ጴጥሮስ ናብ ኲሉ ኽዘውር ከሎ፡ ናብቶም ኣብ ልዳ ዝነብሩ ቅዱሳን ወረደ። 33ኣብኡ ኸኣ ኤንያ ዝስሙ፡ ሾሞንተ ዓመት ኣብ ዓራት ዝደቀሰ መጻጒዕ ሰብኣይ ረኸበ። 34ጴጥሮስ ድማ፡ ኤንያ፡ የሱስ ክርስቶስ የሕውየካ ኣሎ። ተንስእ፡ ባዕልኻ ኣንጽፍ፡ በሎ። ብኡብኡ ኸኣ ተንስኤ። 35ኣብ ልዳን ኣብ ሳሮንን ዝነብሩ ዂላቶም ከኣ ነዚ ርእዮም ናብ ጐይታ ተመልሱ። 36ኣብ ዮጴ ድማ ጣቢታ እትብሃል ተምሃሪት ነበረት፡ ትርጒሙ ድማ ዶርቃስ እዩ። ንሳ ኸኣ ጽቡቕ ግብሪ ዝመልኣ ምጽዋትውን እትምጽውት እያ። 37ኰነ ኸኣ፡ በቲ ቕነቲ ሓሚማ ሞተት። ሓጺቦም ድማ ኣብ ደርቢ ኣንበርዋ። 38ልዳ ንዮጴ ቕርብቲ ስለ ዝነበረት፡ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ ጴጥሮስ ኣብኣ ኸም ዘሎ ሰሚዖም፡ ክልተ ሰብኣይ ናብኡ ልኢኾም፡ ከይደንጐየ ናባታቶም ክመጽእ ለመንዎ። 39ሽዑ ጴጥሮስ ተንሲኡ ምሳታቶም ከደ። ናብኡ ምስ መጸ ድማ፡ ናብ ደርቢ ኣደየብዎ። ኲላተን እተን መበለታት ከኣ እናበኸያ፡ እቲ ጣቢታ ምሳታተን ከላ ዝገበረቶ ቐመውሽን ክዳውንትን እናኣርኣያኦ ከቢበናኦ ደው በላ። 40ጴጥሮስ ግና ንዂላተን ናብ ወጻኢ ኣውጺኡ፡ ተምበርኪኹ ጸለየ፡ ናብቲ ሬሳኣ ግልጽ ኢሉ ኸኣ፡ ጣቢታ፡ ተንስኢ፡ በላ። ኣዒንታ ቛሕ ኣበለት፡ ንጴጥሮስ ምስ ረኣየቶውን፡ ኮፍ በለት። 41ኢዱ ዘርጊሑ ኣተንስኣ፡ ነቶም ቅዱሳንን ነተን መበለታትን ጸዊዑ ድማ፡ ህያው ኰይና ኣብ ቅድሚኦም ደው ኣበላ። 42እዚ ኣብ ኲላ ዮጴ ተፈልጠ፡ ብዙሓት ከኣ ብጐይታ ኣመኑ። 43ንሱ ድማ ሓያሎ መዓልቲ ምስ ስምኦን፡ ፈሓቑ ቄራብቲ ኣብ ዮጴ ተቐመጠ።
ግ.ሃዋ. ምዕራፍ 10
1ኣብ ቂሳርያ ቆርኔሌዎስ ዝስሙ ሰብኣይ ነበረ። ንሱ ኣብቲ ኢጣልያናዊ ዝብሃል ጭፍራ ሓለቓ ሚእቲ እዩ። 2ጻድቕ፡ ምስ ኲሉ ስድራ ቤቱ ድማ ንኣምላኽ ዝፈርህ ንህዝቢውን ብዙሕ ምጽዋት ዝምጽውት፡ ኲሉ ሳዕ ከኣ ንኣምላኽ ዝልምን እዩ። 3ብታስዐይቲ ሰዓት ናይ መዓልቲ ኣቢሉ ድማ ብግሁድ ትርኢት መልኣኽ ኣምላኽ ናብኡ ኣትዩ፡ ዎ ቆርኔሌዎስ፡ ክብሎ ኸሎ ረኣየ። 4ንሱ ኸኣ ጠሚትዎ ሰምቢዱ፡ እንታይ እዩ፡ ጐይታይ፧ በለ። ንሱ ድማ፡ ጸሎትካን ምጽዋትካን ናብ ቅድሚ ኣምላኽ ንመዘከርታ ደዪቡ እዩ፡ 5ሕጂ ኸኣ ሰባት ናብ ዮጴ ልኢኽካ ነቲ ጴጥሮስ ዝብሃል ስምኦን ኣምጽኣዮ። 6ንሱ ምስቲ፡ ቤቱ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዘላ ስምኦን፡ ፈሓቑ ቈራብቲ፡ ጋሻ ዀይኑ ሰፊሩ ኣሎ፡ በሎ። 7እቲ ዝዛርቦ ዝነበረ መልኣኽ ምስ ከደ ኸኣ፡ ካብቶም ገላዉኡ ኽልተ፡ ካብቶም ዘይፍለይዎ ኸኣ ሓደ ሕያዋይ ሓሽከር ጸውዐ እሞ፡ 8ነቲ ዝዀነ ዂሉ ኣዘንትዩ ናብ ዮጴ ለኣኾም። 9ንጽብሒቱ ንሳቶም መገዲ ክኸዱ ኸለዉ፡ ናብታ ኸተማ ምስ ቀረቡ፡ ጴጥሮስ ብሳድሰይቲ ሰዓት ኣቢሉ ኽጽሊ ናብ ናሕሲ ደየበ። 10ሽዑ ጠምዩ ኽበልዕ ደለየ፡ ከዳልዉሉ ኸለዉ ኸኣ፡ ተመሰጠ። 11ሰማይ ተኸፊቱ ኣቕሓ ኸኣ ከም ዓብዪ ኽዳን በርባዕተ መኣዝኑ ተትሒዙ ኽወርድ፡ ኣብ ምድሪውን ክበጽሕ ከሎ ረኣየ። 12ኣብኡ ኸኣ ኣርባዕተ መሓውር ዘለዎም ኲሎምን ኣብ ምድሪ ለመም ዝብሉን ኣዕዋፍ ሰማይን ነበሩ እሞ፡ 13ጴጥሮስ፡ ተንስእ፡ ሓሪድካ ብላዕ፡ ዝብል ድምጺ መጾ። 14ጴጥሮስ ግና፡ ጐይታይ፡ ርኹስን ዘፈንፍን ዘበለን እኳ በሊዐ ኣይፈልጥን እየ እሞ ኣይከውንን እዩ፡ በለ። 15ከም ብሓድሽ ድማ ካልኣይ ግዜ፡ ነቲ ኣምላኽ ዘንጽሆ፡ ንስኻ ኣይተርክሶ፡ ዝብል ድምጺ መጾ። 16እዚ ሰለስተ ሳዕ ኰነ፡ ብኡብኡ ኸኣ እቲ ኣቕሓ ናብ ሰማይ ተወስደ። 17ጴጥሮስ እቲ ዝረኣዮ ራእይ፡ እንታይ ኰን ይኸውን፧ ኢሉ ብልቡ ኽግረም ከሎ፡ እንሆ፡ እቶም ካብ ቆርኔሌዎስ እተላእኩ ሰባት፡ ቤት ስምኦን እናሓተቱ ኣብቲ ኣፍ ደገ ደው በሉ፡ 18ጸዊዖም ከኣ፡ እቲ ጴጥሮስ ዝብሃል ስምኦን ኣብኡ ጋሻ ዀይኑ ሰፊሩ እንተሎ፡ ሓተቱ። 19-20ጴጥሮስ በቲ ራእይ ከስተንትን ከሎ፡ መንፈስ፡ እንሆ፡ ሰለስተ ሰብኣይ ይደልዩኻ ኣለዉ፡ ስለዚ፡ ኣነ ልኢኸዮም እየ እሞ ተንሲእካ ውረድ፡ ከይተስከፍካውን ምሳታቶም ኪድ፡ በሎ። 21ሽዑ ጴጥሮስ ናብቶም ሰባት ወሪዱ፡ እንሆ፡ እቲ እትደልይዎ ዘሎኹም ኣነ እየ፡ ብዛዕባ እንታይ ኢኹም ኣብዚ ደው ኢልኩም ዘሎኹም፧ በሎም። 22ንሳቶም ከኣ፡ ንቆርኔሌዎስ፡ ነቲ ሓለቓ ሚእቲ፡ ብዂሉ ህዝቢ ኣይሁድ እተመስከረሉ፡ ንኣምላኽ ዝፈርህ ጻድቕ ሰብኣይ፡ ናብ ቤቱ ኽጽውዓካ ኻባኻውን ቃል ክሰምዕ፡ ብቕዱስ መልኣኽ ተገሊጹሉ ኣሎ፡ በሉ። 23ሽዑ ኣእትዩ ኣሕደሮም። ንጽብሒቱ ተንሲኡ ምሳታቶም ከደ፡ ካብ ዮጴ ኸኣ ሓያሎ ኣሕዋት ሰዓብዎ። 24ንጽብሒቱ ድማ ኣብ ቂሳርያ ኣተዉ። ቆርኔሌዎስ ከኣ ኣዝማዱን ዝቐርብዎ ፈተውቱን ኣኪቡ ይጽበዮም ነበረ። 25ኰነ ድማ፡ ጴጥሮስ ክኣቱ ኸሎ፡ ቆርኔሌዎስ ተቐበሎ። ኣብ ኣእጋሩ ተደፊኡውን ሰገደሉ። 26ጴጥሮስ ግና፡ ኣነ ድማ ከማኻ ሰብ እየ፡ ተንስእ፡ ኢሉ ኣተንስኦ። 27ምስኡ እናተዛራረበ ኣተወ፡ ኣብኡ ድማ ብዙሓት ሰብ ተኣኪቦም ረኸበ እሞ፡ 28ንኣይሁዳዊ ሰብኣይ ምስ ናይ ካልእ ህዝቢ ሰብ ክሕወስ ወይስ ናይ ቤቱ ኽኣቱ ኸም ዘይግብኦ፡ ንስኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም። ንኣይ ግና፡ ንሓደ ሰብ እኳ ኸይፍንፍን ወይስ ርኹስ እዩ ኸይብል፡ ኣምላኽ ኣርእዩኒ። 29ምእንትዚ ድማ ምስ ለኣኽኩምለይ፡ ስግጥ ከይበልኩ መጻእኩ። ሕጂ ኸኣ ብዛዕባ እንታይ ከም ዝለኣኽኩምለይ፡ እሓተኩም ኣሎኹ፡ በሎም። 30ቆርኔሌዎስ ድማ፡ ቅድሚ ኣርባዕተ መዓልቲ ብታስዐይቲ ሰዓት ኣብ ቤተይ ኰይነ እጽሊ ነበርኩ። እንሆ ኸኣ፡ ዘብርህ ኪዳን እተኸድነ ሰብኣይ ኣብ ቅድመይ ደው በለ እሞ፡ 31ቆርኔሌዎስ፡ ጸሎትካ ተሰሚዑ፡ ምጽዋትካ ድማ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተዘኪሩ እዩ እሞ፡ 32ናብ ዮጴ ልኢኽካ፡ ነቲ ጴጥሮስ ዝብሃል ስምኦን ጸውዓዮ፡ ንሱ ኣብ ገምገም ባሕሪ ኣብ ቤት ስምኦን ፈሓቑ ቈራብቲ ጋሻ ዀይኑ ሰፊሩ ኣሎ። ንሱ ምስ መጸ፡ ክነግረካ እዩ፡ በለኒ። 33ሽዑ ብኡብኡ ናባኻ ለኣኽኩ፡ ንስኻ ድማ ብምምጻእካ ጽቡቕ ገበርካ። ሕጂ ኸኣ ካብ ጐይታ እተኣዘዝካዮ ዘበለ ምእንቲ ኽንሰምዕሲ፡ ኲላትና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣብዚ እኔና፡ በሎ። 34-35ሽዑ ጴጥሮስ ኣፉ ኸፊቱ በለ፡ ኣብ ኲሉ ህዝቢ ንኣምላኽ ዝፈርሆን ቅንዕና ዝገብርን እንተሎ፡ ኣብኡ ቕቡል እዩ እምበር፡ ኣብ ኣምላኽ ኣድልዎ ኸም ዘየልቦ፡ ብሓቂ ኣስተብሃልኩ። 36እቲ ናብ ደቂ እስራኤል ብየሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ ጐይታ ዂሉ፡ ሰላም እናኣበሰሮም እተላእከ ቓል፡— 37እቲ ድሕሪ እታ ዮሃንስ ዝሰበኻ ጥምቀት ካብ ገሊላ ጀሚሩ ናብ ኲላ ይሁዳ ዝበጽሐ ቓል፡— 38ማለት ብዛዕባ የሱስ ብዓል ናዝሬት፡ ኣምላኽ ብመንፈስ ቅዱስን ብሓይልን ከም ዝቐብኦ፡ ኣምላኽ ምስኡ ስለ ዝዀነ፡ እናዞረ ጽቡቕ ከም ዝገበረ፡ ነቶም ሰይጣን ዝሰዓሮም ኲሎም ከኣ ከም ዘሕወየ፡ ንስኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም። 39ነቲ ኣብ ሃገር ኣይሁድን ኣብ የሩሳሌምን ዝገበሮ ዂሉ ንሕናውን ምስክር ኢና። ንእኡ ኣብ ዕጸይቲ ሰቒሎም ቀተልዎ። 40ንእኡ ኣምላኽ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኣተንስኦ፡ ክገሃድ ከኣ ሃቦ፡ 41ንኣና፡ ምስክር ምእንቲ ኽንከውን፡ ኣምላኽ ቅድም ዝሓረየና፡ ንኣና፡ ድሕሪ ኻብ ምውታት ምትንሳኡ ምስኡ ዝበላዕናን ዝሰቴናን እምበር፡ ንዂሉ ህዝብስ ኣይተጋህደን። 42ኣምላኽውን ንህያዋንን ምዉታትን ፈራዲ ክኸውን ዝመደቦ፡ ንሱ ምዃኑ ንህዝቢ ኽንሰብኽን ክንምስክርን ኣዘዘና። 43ብእኡ ዝኣምን ዘበለ ብስሙ ሕድገት ሓጢኣት ከም ዝረኽብ፡ ኲሎም ነብያት ይምስክሩሉ ኣለዉ። 44ጴጥሮስ ገና እዚ ቓልዚ ኽዛረብ ከሎ፡ ኣብቶም ነቲ ቓል ዝሰምዕዎ ዂላቶም መንፈስ ቅዱስ ወረደ። 45-46እቶም ካብ ወገን ግዝረት ዝዀኑ፡ ምስ ጴጥሮስ ዝመጹ ኣመንቲ ብቛንቋታት ክዛረቡን ንኣምላኽ ከመስግኑን ሰምዕዎም እሞ፡ ኣብ ኣህዛብ ድማ ህያብ መንፈስ ቅዱስ ስለ ዝፈሰሰ ተገረሙ። 47ሽዑ ጴጥሮስ፡ እዚኣቶምስ ከማና መንፈስ ቅዱስ ካብ ተቐበሉስ፡ ከይጥመቑ ማይ ክኽልክሎም ዝኽእል ደኣ መን እዩ፧ ኢሉ መለሰ። 48ብስም የሱስ ክርስቶስ ክጥመቑ ኸኣ ኣዘዘ። ድሕርዚ ድማ ቅሩብ መዓልቲ ምሳታቶም ክቕኒ ለመንዎ።
ግ.ሃዋ. ምዕራፍ 11
1ሃዋርያትን እቶም ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ኣሕዋትን፡ ኣህዛብ ድማ ቃል ኣምላኽ ከም እተቐበሉ፡ ሰምዑ። 2-3ጴጥሮስ ናብ የሩሳሌም ምስ ደየበ ግና፡ እቶም ካብ ግዝረት ዝዀኑ፡ ናብ ዘይተገዝሩ ሰባት ኣቲኻ ምሳታቶም ከኣ በሊዕካ፡ ኢሎም ተበኣስዎ። 4ጴጥሮስ ድማ ተር ኣቢሉ ኽነግሮም ጀመረ፡ ከምዚ ኢሉ፡ 5ኣነ ኣብ ከተማ ዮጴ ኽጽሊ ኸሎኹ፡ ተመሰጥኩ እሞ በርባዕተ መኣዝኑ እተታሕዘ ዓብዪ ኽዳን ዝመስል ኣቕሓ፡ ካብ ሰማይ ክወርድ ከሎ፡ ብራእይ ርኤኹ፡ ናባይውን መጸ። 6ናብኡ እናጠመትኩ እንተ ኣስተብሃልኩ ኸኣ፡ ኣርባዕተ መሓውር ዘለዎም እንስሳ ምድርን ኣራዊትን ለመም ዝብልን ኣዕዋፍ ሰማይን ርኤኹ። 7ሽዑ ኸኣ፡ ጴጥሮስ፡ ተንስእ፡ ሓሪድካ ብላዕ፡ ዝብለኒ ድምጺ ሰማዕኩ። 8ኣነ ግና፡ ጐይታይ፡ ርኹስ ወይስ ዘፈንፍን ከቶ ኣብ ኣፈይ ኣትዩ ኣይፈልጥን እዩ እሞ፡ ኣይከውንን እዩ፡ በልኩ። 9ካልኣይ ግዜ ኸኣ፡ ነቲ ኣምላኽ ዘንጽሆ ንስኻ ኣይተርክሶ፡ ዝብል ድምጺ ኻብ ሰማይ መለሰለይ። 10እዚ ሰለስተ ግዜ ዀነ፡ ከም ብሓድሽ ድማ ኲሉ ናብ ሰማይ ተሳሕበ። 11እንሆ ኸኣ፡ ብኡብኡ ሰለስተ ሰባት ካብ ቂሳርያ ናባይ ተልኢኾም፡ ኣብ ጥቓ እታ ኣነ ዘሎኽዋ ቤት ደው ኢሎም ነበሩ። 12መንፈስ ከኣ ከይተዋላወልኩ ምሳታቶም ክኸይድ ነገረኒ። እዞም ሹድሽተ ኣሕዋት ድማ ምሳይ ከዱ፡ ኣብ ቤት እቲ ሰብኣይውን ኣቶና። 13-14ንሱ ኸኣ፡ መልኣኽ ኣብ ቤቱ ደው ኢሉ፡ ንዮጴ ልኣኽ እሞ ነቲ ጴጥሮስ ዝብሃል ስምኦን ጸዊዕካ ኣምጽኣዮ፡ ንስኻን ኲላ ቤትካን እትድሕኑሉ ቓል፡ ንሱ ኽነግረካ እዩ፡ ክብሎ ኸሎ ኸምዝረኣየ ነገረና። 15ክዛረብ ምስ ጀመርኩ ኸኣ፡ መንፈስ ቅዱስ፡ ከምቲ ቕድም ኣባና ዝወረደ፡ ኣባታቶምውን ወረደ። 16ሽዑ ነቲ፡ ዮሃንስ ብማይ ኣጥመቐ፡ ንስኻትኩም ግና ብመንፈስ ቅዱስ ክትጥመቑ ኢኹም፡ ዝብል ቓል ጐይታ ዘከርኩ። 17እምብኣርሲ ኣምላኽ ከምቲ ንኣና ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ንዝኣመንና ዝሃበና፡ ማዕሬና ገይሩ ህያብ ካብ ዝህቦም፡ ኣነ ደኣ ንኣምላኽ ክኽልክሎ ዝኽእል እንታዋይ እየ፧ 18እዚ ምስ ሰምዑ ሃድኡ እሞ፡ እምብኣርስ ኣምላኽ ነህዛብ ድማ ንህይወት ዝኸውን ንስሓ ሂብዎም፡ እናበሉ ንኣምላኽ ኣመስገኑ። 19እቶም ብሰሪ እቲ ኣብ እስጢፋኖስ ዝበጽሐ መከራ እተበተኑ ግና፡ ክሳዕ ፌንቂስን ቆጵሮስን ኣንጾኪያን ዞሩ፡ እቲ ቓል ከኣ ብዘይ ንኣይሁድ ንሓደ እኳ ኣይነግሩን ነበሩ። 20ሓያሎ ኻባታቶም ግና ሰብ ቆጵሮስን ሰብ ቄረኔን ነበሩ፡ እዚኣቶም ናብ ኣንጾኪያ ምስ መጹ፡ ወንጌል ጐይታና የሱስ እናሰበኹ፡ ነቶም ጽርኣውያንውን ነገርዎም። 21ኢድ እግዚኣብሄር ምሳታቶም ነበረት፡ ብዙሕ ዝቝጽሮም ሰብ ድማ ኣሚኖም ናብ ጐይታ ተመልሱ። 22እዚ ወረ እዚ ኸኣ ብዛዕባኦም ኣብታ ኣብ የሩሳሌም ዘላ ማሕበር ተሰምዐ፡ ንበርናባስ ድማ ናብ ኣንጾኪያ ለኣኽዎ። 23-24ንሱ ምስ መጸ፡ ጸጋ ኣምላኽ ርእዩ ተሓጐሰ። ንሱ መንፈስ ቅዱስን እምነትን ዝመልኦ ሕያዋይ ሰብኣይ እዩ እሞ፡ ብምሉእ ልቦም ብጐይታ ጸኒዖም ክነብሩ መኸሮም፡ ብዙሕ ህዝቢ ኸኣ ንጐይታ ተወሰኸ። 25በርናባስ ካብኡ ወጺኡ ንሳውል ክደልዮ ናብ ጠርሴስ ከደ እሞ ምስ ረኸቦ፡ ናብ ኣንጾኪያ ኣምጽኦ። 26ኰነ ኸኣ፡ ኣብታ ማሕበር ዓመት ምሉእ ብሕብረት ነበሩ ንብዙሕ ህዝቢውን መሃሩ። እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ ቅድም ኣብ ኣንጾኪያ ክርስትያን ተሰምዩ። 27በታ ቕነ እቲኣ ነብያት ካብ የሩሳሌም ናብ ኣንጾኪያ ወረዱ። 28ሓደ ኻባታቶም ከኣ ኣጋቦስ ዝስሙ ተንሲኡ፡ ኣብ ኲላ ዓለም ብርቱዕ ጥሜት ከም ዝኸውን፡ ብመንፈስ ተዛረበ። እዚ ብዘመን ቄሳር ቅላውዴዎስ ኰነ። 29እቶም ደቀ መዛሙርቲ ነፍሲ ወከፍ ከከም ዓቕሙ ነቶም ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ኣሕዋት ረዲኤት ክሰዱሎም መደቡ። 30ከምኡ ገይሮም ከኣ ብኢድ በርናባስን ሳውልን ናብቶም ሽማግሌታት ሰደድዎ።
ግ.ሃዋ. ምዕራፍ 12
1በቲ ዘመንቲ ንጉስ ሄሮድስ ኣብ ሓያሎ ኻብታ ማሕበር ክፉእ ክገብሮም ኢዱ ዘርግሐ። 2ንያእቆብ ሓው ዮሃንስ ከኣ ኣሰየፎ። 3እዚ ንኣይሁድ ባህ ከም ዘበሎም ምስ ረኣየ ድማ፡ ወሲኹ ንጴጥሮስ ሓዞ። ቅነ በዓል ቅጫ ኸኣ ነበረ። 4ምስ ሓዞ ኸኣ፡ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተዎ። ድሕሪ ፋስጋ ናብ ህዝቢ ኸውጽኦ ደልዩ፡ በበርባዕተ ኾይኖም ክሕልውዎ ነርባዕተ መደብ ዓቀይቲ ኣሕሊፉ ሃቦ። 5ጴጥሮስ ከምዚ ዀይኑ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይሕሎ ነበረ፡ እታ ማሕበር ግና ምእንትኡ ዂሉ ሳዕ ናብ ኣምላኽ ትጽሊ ነበረት። 6ሄሮድስ ከቕርቦ ምስ ሓሰበ፡ በታ ቕድሚኣ ዘላ ለይቲ፡ ጴጥሮስ ብኽልተ ሞቑሕ ተኣሲሩ ኣብ መንጎ ኽልተ ዓቀይቲ ደቂሱ ነበረ። እቶም ሓለውቲ ኸኣ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ቤት ማእሰርቲ ዀይኖም ይሕልዉ ነበሩ። 7እንሆ ኸኣ፡ መልኣኽ እግዚኣብሄር ኣብ ጥቓኡ ደው በለ፡ ኣብታ ቤት ማእሰርቲ ድማ ብርሃን በርሀ፡ ንጴጥሮስውን መሰንገሊኡ ተንክዩ፡ ቀልጢፍካ ተንስእ፡ ኢሉ ኣበራበሮ። እቲ መቓውሕ ድማ ካብ ኣእዳዉ ወደቐ። 8እቲ መልኣኽ ከኣ፡ ተዓጠቕ፡ ኣሳእንካውን ኣእቱ፡ በሎ። ንሱ ድማ ከምኡ ገበረ። እቲ መልኣኽ ከኣ፡ ክዳንካ ተኸደን እሞ ስዓበኒ፡ በሎ። 9ንሱውን ወጺኡ ሰዓቦ። ግናኸ ራእይ ዝርኢ ዘሎ ይመስሎ ነበረ እምበር፡ እቲ ብመልኣኽ ዝዀነ፡ ሓቂ ምዃኑ ኣየስተውዓለን። 10ነቶም ቀዳማይን ካልኣይን በሪ ዝሕልዉ ምስ ሓለፈ፡ ናብቲ ናብ ከተማ ዘእቱ ማዕጾ ሓጺን በጽሑ፡ ባዕሉውን ተኸፍተሎም። ወጺኦም ከኣ ሓደ ኣደባባይ ምስ ሓለፉ፡ ሽዑ እቲ መልኣኽ ካብኡ ተሰወረ። 11ጴጥሮስ ናብ ልቡ ምስ ተመልሰ ድማ፡ እግዚኣብሄር መልኣኹ ልኢኹ፡ ካብ ኢድ ሄሮድስን ካብቲ ህዝቢ ኣይሁድ ዝጽበይዎ ዝነበሩ ዂሉን ከም ዘድሓነኒ፡ ብሓቂ ሕጂ ፈለጥኩ፡ በለ። 12ነቲ ነገር ምስ ኣስተውዓለ፡ ናብ ቤት ማርያም፡ ኣደ እቲ ማርቆስ ዝብሃል ዮሃንስ፡ መጸ። ኣብኡ ኸኣ ብዙሓት ተኣኪቦም ይጽልዩ ነበሩ። 13ጴጥሮስ ነቲ ማዕጾ ደገ ዃሕኳሕ ምስ ኣበለ፡ ሮዳ እትብሃል ግዝእቲ ኽትሰምዕ መጸት። 14ንሳ ኸኣ ድምጺ ጴጥሮስ ምዃኑ ምስ ኣለለየት፡ ብታሕጓስ ናብ ውሽጢ ጐይያ፡ ጴጥሮስ ኣብ ኣፍ ደገ ደው ኢሉ ኸም ዘሎ፡ ነገረት እምበር፡ ነቲ ማዕጾ ኣይከፈተቶን። 15ንሳቶም ግና፡ ተጸሊልኪ ኢኺ፡ በልዋ። ንሳ ኸኣ ከምኡ ምዃኑ ኣርገጸት። ሽዑ መልኣኹ ዀን ይኸውን፡ በሉ። 16ጴጥሮስ ግና ኳሕኳሕ የብል ነበረ። ምስ ከፈቱ ኸኣ ረኣይዎ እሞ ተገረሙ። 17ንሱ ግና ስቕ ክብሉ ብኢዱ ኣመልከቶም፡ እግዚኣብሄር ካብ ቤት ማእሰርቲ ኸመይ ገይሩ ኸም ዘውጽኦ ኸኣ፡ ኣዘንተወሎም እሞ፡ እዚ ነገር እዚ ንያእቆብን ነቶም ኣሕዋትን ንገርዎም፡ በሎም። ካብኡ ወጺኡ ኸኣ ናብ ካልእ ስፍራ ኸደ። 18ምስ ወግሐ፡ እቶም ዓቀይቲ፡ ንጴጥሮስሲ ኣንታይ ኰን ረኺብዎ ይኸውን፧ ኢሎም ብዙሕ ተጨነቑ። 19ሄሮድስ ድማ ደልዩ ምስ ሰኣኖ፡ ነቶም ሓለውቲ መርሚሩ ክቐትልዎም ኣዘዘ እሞ ካብ ይሁዳ ናብ ቂሳርያ ወሪዱ ኣብኣ ቐነየ። 20ሄሮድስ ንሰብ ጢሮስን ሲዶናን ኣዝዩ ዀርዩ ተጻሊእዎም ነበረ። ተሳማሚዖም ከኣ ናብኡ መጹ። ምግቢ ሃገሮም ካብ ግዝኣት እቲ ንጉስ ስለ ዝነበረ፡ ንብላስጦስ ሸለቃ ዝፋን ቤት ንጉስ ኣፍትዮም ዕርቂ ለመኑ። 21ሄሮድስ በታ መዓልቲ ቘጸራ ልብሰ መንግስቱ ለቢሱ ኣብ ዝፋን ተቐመጠ ተዛረቦምውን። 22እቶም ህዝቢ ድማ፡ እዝስ ድምጺ ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ድምጺ ሰብ ኣይኰነን፡ ኢሎም ጨደሩ። 23ክብሪ ንኣምላኽ ስለ ዘይሃበ ድማ ብኡብኡ መልኣኽ እግዚኣብሄር ቀዘፎ፡ ሓሲኹውን ሞተ። 24ቃል ኣምላኽ ከኣ እናዓበየን እናተዘርግሐን ከደ። 25በርናባስን ሳውልን ድማ ነቲ ረዲኤት ኣብጺሖም፡ ካብ የሩሳሌም ተመልሱ። ምሳታቶም ከኣ ነቲ ማርቆስ ዝብሃል ዮሃንስ ተማልእዎ።
ግ.ሃዋ. ምዕራፍ 13
1ኣብታ ኣብ ኣንጾኪያ ዝነበረት ማሕበር ከኣ ነብያትን መምህራንን ነበሩ፡ በርናባስን ኔጌር እተባህለ ስምኦንን ሉክዮስ ብዓል ቄሬኔን እቲ ምስ ሄሮድስ ብዓል ርባዕ ሽመት ዝዓበየ ማናይንን ሳውልን። 2እዚኣቶም ንእግዚኣብሄር ከገልግሉን ክጸሙን ከለዉ ኸኣ፡ መንፈስ ቅዱስ፡ በርናባስን ሳውልን ነቲ ዝጸዋዕክዎም ዕዮ ፍለዩለይ፡ በሎም። 3ሽዑ ጾሙን ጸለዩን ኣእዳዎም ከኣ ኣንበሩሎም እሞ ሰደድዎም። 4ንሳቶም ከምዚ ኢሎም ብመንፈስ ቅዱስ ተልኢኾም ናብ ሴሌውቅያ ወረዱ። ካብኡ ኸኣ ብመርከብ ናብ ቆጵሮስ ከዱ። 5ኣብ ሰላሚስ ምስ በጽሑ ኸኣ፡ ኣብ ኣባይቲ ጸሎት ኣይሁድ ቃል ኣምላኽ ነገሩ። ንዮሃንስ ከኣ ከገልግሎም ወሲዶምዎ ነበሩ። 6ነታ ደሴት ብዘላ ኽሳዕ ጳፎስ ምስ ዞርዋ ኸኣ፡ ሓደ ጠንቋሊ፡ ነብዪ ሓሶት፡ ባርየሱስ ዝስሙ ኣይሁዳዊ ሰብኣይ ረኸቡ። 7ንሱ ምስቲ ምስለኔ፡ ስርግዮስ ጳውሎስ ኣስተውዓሊ ሰብኣይ፡ ይነብር ነበረ። ንሱውን ቃል ኣምላኽ ክሰምዕ ደልዩ፡ ንሳውልን ንበርናባስን ናብኡ ጸውዖም። 8ግናኸ ኤልማስ ጠንቋሊ፡— ስሙ ኸምኡ ይትርጐም እዩ እሞ፡— ነቲ ምስለኔ ኻብ ምእማን ክመልሶ ደልዩ ተቓወሞም። 9እቲ ጳውሎስ እተሰምየ ሳውል ግና፡ መንፈስ ቅዱስ መሊእዎ፡ ጠመቶ እሞ፡ 10ኣታ፡ ኲሉ ተንኰልን ኲሉ ኽፍኣትን ዝመልኣካ ወዲ ድያብሎስ፡ ጻላእ ኲሉ ጽድቂ፡ ነቲ ቕኑዕ መገዲ እግዚኣብሄር ካብ ምጥዋይሲ ካንዶ ኣይትዓርፍን ኢኻ፧ 11ሕጂ ኸኣ እንሃ፡ ኢድ ጐይታ ኣብ ልዕሌኻ እያ፡ ክትዓውር፡ ክሳዕ ግዜኡውን ጸሓይ ኣይክትርእን ኢኻ፡ በሎ። ብኡብኡ ኸኣ ጣቓን ጸልማትን ወደቖ፡ ኣብዝን ኣብትን እናተመላለሰ ኸኣ፡ ብኢዱ ሒዙ ዝመርሖ ደለየ። 12ሽዑ እቲ ምስለኔ ነቲ ዝዀነ ርእዩ፡ ብምህሮ ጐይታ ተገሪሙ ኣመነ። 13ድሕርዚ ጳውሎስን ብጾቱን ካብ ጳፎስ ብመርከብ ከዱ፡ ናብ ጴርጌ ናይ ጶምፍልያ ኸኣ መጹ። ዮሃንስ ከኣ ካባታቶም ተፈልዩ ናብ ዮሩሳሌም ተመልሰ። 14ንሳቶም ግና ካብ ጴርጌ ሓሊፎም ናብ ኣንጾኪያ ናይ ጳሲድያ መጹ። ብመዓልቲ ሰንበት ከኣ ናብ ቤት ጸሎት ኣትዮም ተቐመጡ። 15ንሕግን ነብያትን ምስ ኣንበቡ፡ እቶም መራሕቲ ቤት ጸሎት፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ ገለ ንህዝቢ ዝንገር ቃል ምዕዶ እንተሎኩም፡ ንገሩ፡ ኢሎም ለኣኹሎም። 16ሽዑ ጳውሎስ ተንሲኡ፡ ብኢዱ እናኣመልከተ በለ፡ ኣቱም ሰብ እስራኤልን ንኣምላኽ እትፈርሁን፡ ስምዑ፡ 17ናይ እዚ ህዝቢ እስራኤል ኣምላኽ ነቦታትና ሓረዮም፡ ነዚ ህዝቢ እዚ ኸኣ ኣብ ስደቱ ኣብ ምድሪ ግብጺ ልዕል ኣበሎ፡ በታ ልዕልቲ ኢዱ ድማ ካብኣ ኣውጽኦም። 18ኣስታት ኣርብዓ ዓመት ኣቢሉ ኸኣ ኣብ በረኻ ኸም ኣቦ ዀይኑ ጾሮም። 19ሾብዓተ ኣህዛብ ካብ ምድሪ ከነኣን ኣጥፊኡ፡ ነቲ ምድሮም ኣውረሶም። 20ድሕርዚ ኸኣ ኣስታት ኣርባዕተ ሚእትን ሓምሳን ዓመት ኣቢሉ ኽሳዕ ነብዪ ሳሙኤል መሳፍንቲ ሃቦም። 21ድሕርዚ ንጉስ ለመኑ፡ ኣምላኽ ከኣ ነርብዓ ዓመት ሓደ ሰብኣይ ካብ ነገድ ብንያም፡ ሳኦል ወዲ ቂስ ሃቦም። 22ምስ ሰዓሮ ድማ፡ ንዳዊት፡ ንጉስ ክኸውን፡ ኣተንስኣሎም፡ ዳዊት ወዲ እሴይ ኲሉ ፍቓደይ ዝገብር ሰብኣይ ዝኸም ልበይ ረኸብኩ፡ ኢሉ ኸኣ መስከረሉ። 23ኣምላኽ ከም ተስፋኡ ኻብ ዘርኡ ንእስራኤል መድሓኒ፡ ንሱ ኸኣ የሱስ፡ ኣተንስአ፡ 24ቅድሚ ምምጻኡውን ዮሃንስ ንዂሉ ህዝቢ እስራኤል ጥምቀት ንስሓ ሰበኸ። 25ዮሃንስ ከኣ ጒያኡ ኽፍጽም ከሎ፡ ኣነ መን ምዃነይ ይመስለኩም ኣሎ፧ ኣነስ ንሱ ኣይኰንኩን። እንሆ ደኣ፡ ኣነ ኣሳእኑ ኻብ ኣእጋሩ ንምውጻእ ዘይበቅዕ፡ ንሱ ብድሕረይ ይመጽእ ኣሎ፡ በለ። 26ኣቱም ኣሕዋትና፡ ደቂ ዓሌት ኣብርሃምን ኣብ ማእከልኩም ዘለዉ ንኣምላኽ ዝፈርሁን፡ እዚ ቓል ምድሓን እዚ ናባታትና እዩ እተላእከ። 27እቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነብሩ ምስ መኳንንቶም ንእኡ ስለ ዘይፈለጥዎ፡ ነቲ በብሰንበት ዘንብብዎ ቓል ነብያት ብፍርዶም ፈጸምዎ። 28ንሞት እትኸውን ምኽንያት ሓንቲ እኳ ምስ ሰኣኑሉ፡ ክቐትሎ ንጲላጦስ ለመንዎ። 29ነቲ ብዛዕባኡ እተጻሕፈ ዘበለ ምስ ፈጸሙ፡ ካብ ዕጨይቲ ኣውሪዶም ኣብ መቓብር ኣእተውዎ። 30ኣምላኽ ግና ካብ ምዉታት ኣተንስኦ። 31ነቶም ካብ ገሊላ ናብ የሩሳሌም ምስኡ ዝደየቡ፡ ሕጂ ኸኣ ኣብዚ ህዝቢ እዚ ምስክሩ ዀይኖም ዘለዉ፡ ብዙሕ መዓልቲ ተራእዮም። 32-33ከምቲ ኣብ ካልኣይ መዝሙር፡ ንስኻ ወደይ ኢኻ፡ ኣነ ሎሚ ወለድኩኻ፡ ዝብል ጽሑፍ ዘሎ፡ ኣምላኽ ንየሱስ ኣተንሲኡ እቲ ነቦታትና እተዋህበ ተስፋ ንኣና፡ ንደቆም፡ ከም ዝፈጸሞ፡ ንሕና ድማ ነበስረኩም ኣሎና። 34ከም ብሓድሽ ናብ ጥፍኣት ከይምለስ ከኣ፡ ካብ ምዉታት ኣተንሲእዎ እዩ እሞ፡ እቲ ቅዱስን እሙንን በረኸት ዳዊት ክህበኩም እየ፡ በለ። 35ምእንትዚ ኣብ ካልእ መዝሙር ከኣ፡ ንቕዱስካ ጥፍኣት ክርኢ ኣይትህቦን ኢኻ፡ ይብል እዩ። 36ዳዊት ብዘመኑ ንፍቓድ ኣምላኽ ምስ ኣገልገለ ዓረፈ፡ ናብ ኣቦታቱውን ተጸምበረ ጥፍኣት ከኣ ረኣየ። 37እቲ፡ ኣምላኽ ዘተንስኦ ግና፡ ንሱ ጥፍኣት ኣይረኣየን። 38-39እምብኣርሲ ኣቱም ኣሕዋትና፡ ብእኡ ሕድገት ሓጢኣት ይንገረልኩም ከም ዘሎ፡ ካብቲ ብሕጊ ሙሴ ኽትጸድቁሉ ዘይከኣለኩም ኲሉ ነገር፡ ነፍሲ ወከፍ ኣማኒ ብእኡ ኸም ዝጸድቕሲ፡ ኣባኻትኩም ፍሉጥ ይኹን። 40-41ስለዚ እቲ ብነብያት፡ ኣቱም ነዓቕቲ፡ ርኣዩ፡ ሓደ እኳ እንተ ነገረኩም፡ ከቶ ዘይትኣምንዎ ግብሪ ብዘመንኩም ክገብር እየ እሞ፡ ተገረሙን ጥፍኡን፡ ዝብል ከይበጽሓኩም ተጠንቀቑ። 42ንሳቶም ክወጹ ኸለዉ ኸኣ፡ በታ እትመጽእ ሰንበትውን እዚ ቓላትዚ ኽነግርዎም ለመንዎም። 43እቲ ኣኼባ ምስ ተበተነ ኸኣ፡ ካብ ኣይሁድን ካብቶም ንኣምላኽ ዝፈርሁ ጵሮሴሊታት ብዙሓት ንጳውሎስን ንበርናባስን ሰዓቡ። ንሳቶም ክነግርዎም ከለዉ ኸኣ፡ ብጸጋ ኣምላኽ ክጸንዑ መዓድዎም። 44በታ እትስዕብ ሰንበት ከኣ ዳርጋ ዂላ እታ ኸተማ ቓል ኣምላኽ ክትሰምዕ ተኣከበት። 45ኣይሁድ ነቲ እኩብ ሰብ ምስ ረኣዩ፡ ቅንኣት መልኦም፡ እናተኸራኸሩን እናተጻረፉን ከኣ በቲ ጳውሎስ ዝበሎ ቓል ተኻትዑ። 46-47ጳውሎስን በርናባስን ከኣ ተቢዖም ከምዚ በሉ፡ ቃል ኣምላኽ ቅድም ንኣኻትኩም ክንገር ይግባእ ነይሩ፡ ካብ ደፋእኩምዎን፡ ንናይ ዘለኣለም ህይወት ብቑዓት ከም ዘይኰንኩም ከኣ፡ ብርእስኹም ካብ ፈረድኩምንከ፡ እግዚኣብሄር፡ ክሳዕ ወሰን ምድሪ ንምድሓን ምእንቲ ኽትከውን፡ ነህዛብ ብርሃን ገበርኩኻ፡ ኢሉ ኣዚዙና እዩ እሞ፡ እንሆ፡ ገጽና ናብ ኣህዛብ ንመልስ ኣሎና። 48ኣህዛብ ከኣ እዚ ሰሚዖም ተሓጐሱ፡ ንቓል ኣምላኽ ድማ ኣመስገኑ። እቶም ንህይወት ዘለኣለም እተመደቡ ዘበሉ ዂላቶምውን ኣመኑ። 49ቃል እግዚኣብሄር ናብ ኲላ እታ ሃገር በጽሐ። 50ኣይሁድ ግና ነተን እግዚኣብሄር ዝፈርሃ ሕፉራት ኣንስትን ነቶም ዓበይቲ ዓድን ኣነዓብዎም። ኣብ ጳውሎስን ኣብ በርናባስን ድማ ስደት ኣለዓሉ፡ ካብ ወሰን ሃገሮምውን ሰጐጒዎም። 51ንሳቶም ከኣ ተጐጓ ኣእጋሮም ነገፉሎም እሞ ናብ ኢቆንዮም ከዱ። 52እቶም ደቀ መዛሙርቲ ድማ ሓጐስን መንፈስ ቅዱስን መልኡ።
ግ.ሃዋ. ምዕራፍ 14
1ከምኡ ድማ ኣብ ኢቆንዩም ኰነ፡ ሓቢሮም ኣብ ቤት ጸሎት ኣይሁድ ኣትዮም፡ ካብ ኣይሁድን ጽርኣውያንን ኣዝዮም ብዙሓት ህዝቢ ኽሳዕ ዝኣምኑ፡ ተዛረቡ። 2እቶም ዘይኣመኑ ኣይሁድ ግና ልቢ እቶም ኣህዛብ ናብቶም ኣሕዋት ኣናቓነቑን ኣኽፍኡን። 3ኣብኡ ነዊሕ ወርሓት ተቐመጡ። በቲ ትእምርትን ተኣምራትን በእዳዎም እናገበሩ፡ ንቓል ጸጋኡ ምስክር ዝሃበ ጐይታ ተኣሚኖም፡ ብትብዓት ተዛረቡ። 4ደቂ እታ ኸተማ ኸኣ ኣብ ክልተ ተመቕሉ፡ ገሊኦም ምስ ኣይሁድ፡ ገሊኦም ድማ ምስ ሃዋርያት ኰኑ። 5ኣህዛብን ኣይሁድን ምስ መኳንንቶም ሓሳር ከጽግብዎምን ብዳርባ እምኒ ክቐትልዎምን ምስ ተላዕሉ፡ 6ንሳቶም ድማ እዚ ምስ ፈለጡ፡ ናብ ከተማታት ሊቃኦንያን ናብ ልስጥራን ናብ ደርቤን፡ ኣብ ከባቢአን ናብ ዘላ ሃገርን ሃደሙ፡ 7ኣብኡውን ወንጌል ይሰብኩ ነበሩ። 8ሓደ ሰብኣይ፡ ኣእጋሩ ዝሞተ፡ ካብ ከርሲ ኣዲኡ ጀሚሩ ዝማህመነ፡ ተዛዊሩ እኳ ዘይፈልጥ፡ ኣብ ልስጥራ ተቐሚጡ ነበረ። 9ንሱ ጳውሎስ ክዛረብ ከሎ ሰምዐ። ጳውሎስ ድማ ተኲሩ ጠመቶ ክሓዊ እምነት ከም ዘላቶ ምስ ረኣየ፡ 10ድምጹ ዓው ኣቢሉ፡ ትኽ ኢልካ በእጋርካ ደው በል፡ በሎ። ብድድ ኢሉ ኸኣ ተዛወረ። 11ሽዑ እቶም ህዝቢ ጳውሎስ ዝገበሮ ምስ ረኣዩ፡ ድምጾም ዓው ኣቢሎም ብዘረባ ሊቃኦንያ፡ ኣማልኽቲ ብኣርኣያ ሰብ ናባና ወሪዶም፡ በሉ። 12ንበርናባስ፡ ድያ፡ በልዎ፡ ንጳውሎስ ድማ፡ መራሕ ዘረባ ስለ ዝዀነ፡ ሄርሜስ። በልዎ። 13ካህን እቲ ኣብ መንጽር ከተማ ዝነበረ መቕደስ ድያ ድማ ኣብዑርን ኣኽሊላት ዕምባባን ናብቲ ደጌታት ኣምጺኡ ምስቶም ሰብ ኰይኑ ኽስውኣሎም ደለየ። 14ግናኸ ጳውሎስን በርናባስን፡ እቶም ሃዋርያት፡ እዚ ምስ ሰምዑ፡ ክዳውንቶም ቀደዱ፡ እናጨደሩ ኸኣ ናብቶም ህዝቢ ጐየዩ፡ 15እናበሉ፡ ኣቱም ሰብ፡ ንምንታይ እዚ ነገርዚ እትገብሩ፧ ንሕና ድማ ከማኻትኩም ዝፍጥረትና ሰብ ኢና፡ ካብዚ ኸንቱ ነገር ናብቲ ሰማይን ምድርን ባሕርን ኣባታቶም ዘለዉ ዂሎምን ዝፈጠረ ህያው ኣምላኽ ክትምለሱ ነበስረኩም ኣሎና። 16ንሱ ብዝሓለፈ ወለዶ ንዂሎም ኣህዛብ መመገዶም ይኺዱ ሓደጎም። 17ምስናይዚ ኸኣ ጽቡቕ እናገበረ፡ ካብ ሰማይ ዝናምን ዘመን ፍርያትን እናሃበኩም ንልብኹምውን ብመብልዕን ሓጐስን እናጽገበ፡ ርእሱ ብዘይ ምስክር ኣይሓደገን። 18እዚ ኢሎም ከኣ፡ ከይስውኡሎም፡ ነቶም ህዝቢ ብሓይለ ገደል ከልከልዎም። 19ኣይሁድ ከኣ ካብ ኣንጾኪያን ካብ ኢቆንዩምን መጹ። ነቶም ህዝቢ ሓባቢሎም ንጳውሎስ ድማ ብዳርባ እምኒ ፈጽፈጽዎ፡ ዝሞተ መሲልዎም ከኣ ካብታ ኸተማ ንወጻኢ ጓተትዎ። 20እቶም ደቀ መዛሙርቱ ኸቢቦምዎ ኸለዉ ኸኣ፡ ብድድ ኢሉ ናብታ ኸተማ ኣተወ። ንጽብሒቱ ኸኣ ምስ በርናባስ ናብ ደርቤ ኸደ። 21ኣብታ ኸተማ እቲኣ ድማ ወንጌል እናሰበኹ ብዙሓት ደቀ መዛሙርቲ ምስ ገበሩ፡ ናብ ልስጥራን ናብ ኢቆንዩምን ናብ ኣንጾኪያን ተመልሱ። 22ነፍሲ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኣጸናንዑ፡ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ብብዙሕ ጸበባ ኽንኣቱ ይግብኣና እዩ፡ እናበሉ ኸኣ ኣብ እምነት ክጸንዑ ይምዕድዎም ነበሩ። 23ኣብ መማሕበሩ ሽማግሌታት ምስ ሓረዩሎም ድማ፡ ብጾምን ብጸሎትን ናብቲ ብእኡ ዝኣመኑ ጐይታ ኣማዕቈብዎም። 24ብጲስድያ ሓሊፎም ናብ ጳምፍልያ መጹ። 25ኣብ ጴርጌ ነቲ ቓል ምስ ነገሩ፡ ናብ ኣጣልያ ወረዱ። 26ካብኣ ኸኣ ናብታ ነቲ ዝፈጸምዎ ዕዮ ኣብኣ ንጸጋ ኣምላኽ ዘማሕጸንዎም ኣንጾኪያ ብመርከብ ተሳገሩ። 27ናብኣ ምስ በጽሑ፡ ንማሕበር ኣኪቦም፡ ኣምላኽ ዝገበረሎም ኲሉን ነህዛብ ከኣ ደገ እምነት ከም ዝኸፈተሎምን፡ ኣዘንተዉሎም። 28ምስቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ ሓያሎ መዓልቲ ጸንሑ።
ግ.ሃዋ. ምዕራፍ 15
1ካብ ይሁዳ ዝወረዱ ሓያሎ ድማ ነቶም ኣሕዋት፡ ከም ስርዓት ሙሴ እንተ ዘይተገዘርኩምሲ፡ ክትድሕኑ ኣይኰነልኩምን እዩ፡ ኢሎም መሃርዎም። 2ኣብ መንጎኦምን መንጎ ጳውሎስን በርናባስን ብዙሕ ምፍልላይን ክትዕን ምስ ኰነ ኸኣ፡ ጳውሎስን በርናባስን ካባታቶምውን ሓያሎ ኻልኦትን ብዛዕባ እዚ ባእሲዚ ናብ ሃዋርያትን ሽማግሌታትን ናብ የሩሳሌም ክድይቡ መደቡ። 3ሽዑ ንሳቶም ካብ ማሕበር ምስ ተፋነዉ፡ ምምላስ ኣህዛብ እናውረዩሎም፡ ብፊንቄን ብሰማርያን ሓለፉ። ንዂላቶም ኣሕዋት ከኣ ብዙሕ ኣሓጐስዎም። 4ኣብ የሩሳሌም ምስ በጽሑ ድማ፡ እቶም ማሕበርን ሃዋርያትን ሽማግሌታትን ተቐበልዎም፡ ንሳቶም ድማ ኣምላኽ ዝገበረሎም ዘበለ ዂሉ ተዛረብዎም። 5ካብቶም ዝኣመኑ ወገን ፈሪሳውያን ግና ሓያሎ፡ ክገዝርዎምን ምሕላው ሕጊ ሙሴ ኽእዝዝዎምን ይግባእ እዩ፡ ኢሎም ተንስኡ። 6እቶም ሃዋርያትን ሽማግሌታትን ከኣ ብዛዕባ እዚ ነገርዚ ኽምርምሩ ተኣከቡ። 7ብዙሕ ክትዕ ምስ ኰነ ኸኣ፡ ጴጥሮስ ተንሲኡ ኸምዚ በሎም፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ ካብ ቀዳማይ ዘመን ጀሚሩ ኣህዛብ ብኣፈይ ቃል ወንጌል ክሰምዑን ክኣምኑን፡ ኣምላኽ ካባኻትኩም ከም ዝሓረየኒ፡ ንስኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም። 8እቲ ልቢ ዝፈልጥ ኣምላኽ ከኣ ከምቲ ንኣና ዝሃበና ንኣታቶምውን መንፈስ ቅዱስ ብምሃቡ መስከረሎም። 9ልቦም ብእምነት ምስ ኣንጽሀ፡ ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎኦምን ሓንቲ እኳ ኣይፈላለየን። 10እምብኣርስኸ ሕጂ ነቲ ኣቦታትናን ንሕናን ክንጾሮ ዘይከኣለና ኣርዑት ኣብ ክሳድ ደቀ መዛሙርቲ ብምንባርኩም ስለምንታይ ንኣምላኽ እትፍትንዎ፧ 11ንሕናስ ከማታቶም ደኣ ብጸጋ ጐይታና የሱስ ከም እንድሕን፡ ንኣምን ኣሎና። 12ኲላቶም እቶም ህዝቢ ድማ ስቕ በሉ፡ ነቲ በርናባስን ጳውሎስን ከመይ ዝበለ ዓብዪ ትእምርትን ተኣምራትን ኣምላኽ ብኣታቶም ኣብ ኣህዛብ ዝገበሮ ኽነግርዎም ከለዉ ኸኣ፡ ጽን ይብሉ ነበሩ። 13ንሳቶም ስቕ ምስ በሉ ኸኣ፡ ያእቆብ ከምዚ ኢሉ መለሰ፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ ስምዑኒ፡ 14ኣምላኽ ካብ ኣህዛብ ንስሙ ህዝቢ ምእንቲ ኸውጽእ፡ ቅድም ከመይ ከም ዝበጽሖም፡ ስምኦን ኣዘንትዩ ኣሎ። 15-18ምስ እዚ ድማ እቲ ቓል ነብያት ይሰማማዕ፡ ከምቲ፡ እቶም ዝተረፉ ሰብን ስመይ ኣባታቶም እተጸውዐ ዂሎም ኣህዛብን ንጐይታ ምእንቲ ኽደልዩ፡ ነታ ወዲቓ ዘላ ድንኳን ዳዊት ከም ብሓድሽ ክሰርሓ፡ ነቲ ዖናኣ ኽሕድሶ ኸም ብሓድሽውን ከቕንዖ እየ፡ እዚ ነገርዚ እቲ ኻብ ዘለኣለም ፈሊጡ ዝገብሮ ጐይታ ይብል ኣሎ፡ ዝብል ጽሑፍ እዩ። 19-21ካብ ቀዳሞት ወለዶ ጀሚሩ ኣብ ቤት ጸሎቶም በብሰንበት ንሙሴ እናኣንበብዎ፡ ኣብ ከከተማኡ ዝሰብክዎ ኣለዉዎ እሞ፡ ካብ ርኽሰት ጣኦታትን ዝሙትን ካብ ሕኑቕን ደምን ደኣ ክኽልከሉ፡ ንልኣኸሎም እምበር፡ ነቶም ካብ ኣህዛብ ናብ ኣምላኽ ዝምለሱ ዘለዉ ኸይነኽብደሎም ይርኣየና ኣሎ። 22ሽዑ እቶም ሃዋርያትን ሽማግሌታትን ምስ ብዘላ እታ ማሕበር ኰይኖም ምስ ጳውሎስን በርናባስን ናብ ኣንጾኪያ ዝሰድዎም ሰባት ካብ መንጎኦም ክሓርዩ ቕኑዕ ኰይኑ ተራእዮም። እቲ በርሳባ ዝበሃል ይሁዳን ሲላስን፡ ኣብ ማእከል ኣሕዋት ምርኡያት ዝነበሩ ሰባት ከኣ ለኣኹ። 23ምሳታቶም ድማ እዚ ጽሑፍ እዚ ሰደዱ፡ ንሕና ሃዋርያትን ሽማግሌታትን ኣሕዋትን ኣብ ኣንጾኪያን ኣብ ሶርያን ኣብ ቂልቅያን ካብ ኣህዛብ ንዘሎኹም ኣሕዋት ሰላም ንብለኩም ኣሎና። 24ንሕና ዘይኣዘዝናዮም፡ ገለ ኻባታትና ወጺኦም ክትግዘሩን ሕጊ ኽትሕልዉን ኢሎም፡ ብቓሎም ከም ዝሃወኹኹምን ንልብኹም ከም ዘዕገርገሩን ስለ ዝሰማዕና፡ 25-26ምስ እዞም እነፍቅሮም በርናባስን ጳውሎስን፡ ምእንቲ ስም ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ህይወቶም ኣሕሊፎም ዝሃቡ ሰባት፡ ናባኻትኩም እንሰዶም ሰባት ክንሓሪ ሰሚርና ብሓደ ዄንና መደብና። 27ስለዚ ይሁዳን ሲላስን፡ ንሳቶም ነዚ ብኣፎም ድማ ክነግሩኹም፡ ሰዲድናልኩም ኣሎና። 28-29ብዘይ እቲ እተገብአ፡ ማለት፡ ንጣኦታት ካብ እተሰውአን ደምን፡ ካብ ሕኑቕን ዝሙትን ደኣ ኽትክልከሉ እምበር፡ ገለ ሓለፋ ጾር እኳ ኸይንጽዕነኩም፡ ንመንፈስ ቅዱስን ንኣናን ተራእዩና እዩ እሞ፡ ርእስኻትኩም ካብዚ እንተ ሓሎኹም፡ ጽቡቕ ክትረኽቡ ኢኹም። ደሓን ኩኑ። 30ንሳቶም ምስ ተላእኩ፡ ናብ ኣንጾኪያ ወረዱ፡ ነታ ማሕበር ኣኪቦም ከኣ፡ ነታ ደብዳበ ወፈይዋ። 31ምስ ኣንበብዋ ድማ፡ በቲ ምጽንናዕ ተሓጐሱ። 32ይሁዳን ሲላስን ግና፡ ንሳቶም ድማ ነብያት እዮም ዝነበሩ እሞ፡ ነቶም ኣሕዋት ብብዙሕ ቃል መዓድዎምን ኣበርትዕዎምን። 33ሓያሎ መዓልቲ ምሳታቶም ምስ ቀነዩ፡ ካብ ኣሕዋት ብሰላም ተፋንዮም ናብቶም ዝለኣኽዎም ተመልሱ። 34ሲላስ ግና ኣብኡ ኽተርፍ ደለየ። 35ጳውሎስን በርናባስን ከኣ ኣብ ኣንጾኪያ ደንጐዩ፡ ምስ ብዙሓት ካልኦት ኰይኖምውን ቃል ጐይታ ይምህሩን የበስሩን ነበሩ። 36ድሕሪ ሓያሎ መዓልቲ ጳውሎስ ንበርናባስ፡ ንዓ፡ ንመለስ እሞ ኣብተን ቃል ጐይታ ዝመሃርናለን ዘበላ ኸተማታት ነቶም ኣሕዋት ንብጽሓዮም፡ ከመይ ኢሎም ከም ዘለዉ ድማ ንርኣዮም፡ በሎ። 37ሽዑ በርናባስ ነቲ ዮሃንስ ዝብሃል ማርቆስ ከኣ ምሳታቶም ክማልእዎ ደለየ። 38ጳውሎስ ግና ነዚ ኻባታቶም ኣብ ጰምፍልያ እተፈልየ፡ ምሳታቶ ከኣ ናብ ዕዮ ዘይመጸ ኽማልእዎ ኣይፈተወን። 39ብዛዕባዚ፡ ንሓድሕዶም ክሳዕ ዝፋላለዩ፡ ኣብ መንጎኦም ባእሲ ዀነ። በርናባስ ንማርቆስ ሒዙ ናብ ቆጵሮስ ብመርከብ ከደ። 40ጳውሎስ ግና ንሲላስ ሓረየ፡ እቶም ኣሕዋት ኣብ ጸጋ እግዚኣብሄር ምስ ኣማሕጸንዎ ድማ፡ ነቐሉ። 41ነተን ማሕበር እናጽንዐውን ናብ ሶርያን ናብ ቂልቅያን ዞረ።
ግ.ሃዋ. ምዕራፍ 16
1ናብ ደርቤን ናብ ልስጥራን ድማ መጸ። እንሆ ኸኣ፡ ጢሞቴዎስ ዝብሃል ወደ መዝሙር፡ ወዲ ሓንቲ ኣማኒት ኣይሁዳዊት ሰበይቲ ኣቦኡ ግና ጽርኣዊ፡ ኣብኡ ነበረ። 2ንእኡ እቶም ኣብ ልስጥራን ኣብ ኢቆንዩምን ዘለዉ ኣሕዋት ጽቡቕ መስኪሮምሉ ነበሩ። 3ሽዑ ጳውሎስ ምስኡ ኽወስዶ ፈተወ፡ ኣቦኡ ጽርኣዊ ምዃኑ ዂላቶም ይፈልጡ ነበሩ እሞ፡ ስለ እቶም ኣብተን ዓድታት እቲኣተን ዘለዉ ኣይሁድ ከኣ፡ ወሲዱ ገዘሮ። 4ኣብ ዘዝኣተውዋ ኸተማ ኸኣ እቲ ሃዋርያትን ሽማግሌታትን ኣብ የሩሳሌም ዝሓገጉሎም ሕጋጋት ክሕልዉ ኣዘዝዎም። 5ስለዚ እተን ማሕበር በዚ ኸምዚ ብእምነት ይጸንዓ፡ ቁጽረን ድማ ኣብ ጸጽባሕ ይውስኽ ነበረ። 6ኣብ እስያ ነቲ ቓል ከይነግሩ፡ መንፈስ ቅዱስ ምስ ከልከሎም፡ ብሃገር ፍርግያን ገላትያን ሓለፉ። 7ኣብ ሚስያ ምስ በጽሑ፡ ናብ ቢቲንያ ክኸዱ ፈተኑ፡ መንፈስ የሱስ ግና ኣይፈቐደሎምን። 8ሚስያ ምስ ሓለፉ ኸኣ፡ ናብ ጥሮኣስ ወረዱ። 9ንጳውሎስ ከኣ ብለይቲ ራእይ ተራእዮ። ብዓል መቄዶንያ ሰብኣይ ከኣ ደው ኢሉ፡ ናብ መቄዶንያ ሕለፍ እሞ ርድኣና፡ እናበለ ይልምኖ ነበረ። 10ንሱ ራእይ ምስ ረኣየ፡ ወንጌል ክንሰብከሎም ኣምላኽ ከም ዝጸውዓና ተረዲእና፡ ብኡብኡ ናብ መቄዶንያ ኽንከይድ ደሌና። 11ሽዑ ኻብ ጥሮኣስ ብመርከብ ምስ ከድና፡ ትኽ ኢልና ናብ ሳሙትራኬ ኣቕናዕና። ንጽብሒቱ ኸኣ ናብ ንያጶሊስ ከድና፡ 12ካብኣ ድማ ናብ ፊልጲ፡ ንሳ ኣብታ ኽፍሊ ሃገር መቄዶንያ ቐዳመይቲ ኸተማን ሓዳስ ግዝኣት ሮሜን እያ። ኣብታ ኸተማ እቲኣ ሓያሎ መዓልቲ ቐኔና። 13ብመዓልቲ ሰንበት ከኣ ካብ ዓንቀጽ እታ ኸተማ ወጺእና ኣብ ጥቓ እቲ ጸሎት ዝግበሮ ዝነበረ ርባ ተቐሚጥና፡ ነተን እኩባት ኣንስቲ ተዛረብናየን። 14ልድያ እትብሃል፡ ንኣምላኽ እትፈርህ ሰበይቲ ብዓልቲ ኸተማ ትያቲራ፡ ሸያጢት ቀይሕ ሃሪ፡ ጽን ትብለና ነበረት። ናብቲ ጳውሎስ ዝብሎ ዝነበረ ኸተድህብ ከኣ፡ እግዚኣብሄር ልባ ኸፈተላ። 15ንሳ ምስ ስድራ ቤታ ምስ ተጠምቀት ከኣ፡ ከም ኣማኒት ጐይታ ርኢኹምኒ እንተ ዄንኩምሲ፡ ናብ ቤተይ ኣቲኹም ተቐመጡ፡ ኢላ ለመነትና ግዲውን በለትና። 16ኰነ ድማ፡ ናብቲ ጸሎት ዝግበሮ ኽንከይድ ከሎና፡ መንፈስ ጥንቈላ ዘለዋ ንጐይተታ ኸኣ በቲ ምጥንቋላ ብዙሕ እተርብሖም ዝነበረት ግዝእቲ ተጓነፈትና። 17ንሳ ኸኣ፡ እዞም ሰባት እዚኣቶም ባሮት ልዑል ኣምላኽ እዮም፡ መገዲ ምድሓን ከኣ ይምህሩኹም ኣለዉ፡ ኢላ እናጨደረት፡ ኣስኣሰር ጳውሎስን ኣስኣሰርናን ሰዓበት። 18ከምዚ እናበለት ከኣ፡ ብዙሕ መዓልቲ ገበረት። ጳውሎስ ድማ ጒህዩ፡ ግልጽ ኢሉ ነቲ መንፈስ፡ ካብኣ ኽትወጽእ፡ ብስም የሱስ እእዝዘካ ኣሎኹ፡ በሎ። በታ ግዜ እቲኣውን ወጸ። 19ጐይተታ ድማ ተስፋ ረብሓኦም ከም ዘባተኸ ምስ ረኣዩ፡ ንጳውሎስን ሲላስን ሓዝዎም ናብቶም ሹማት ከኣ ናብ ዕዳጋ ሰሓብዎም እሞ፡ 20እዞም ሰባት እዚኣቶም ኣይሁድ እዮም፡ ንኸተማና ኸኣ የናዕብዋ ኣለዉ፡ 21ንሕና ሮማውያን ክንቅበሎን ክንገብሮን ዘይተፈቕደልና ስርዓትውን ይሰብኩ ኣለዉ፡ ኢሎም ናብቶም ሓላቑ ኣምጽእዎም። 22እቲ እኩብ ህዝቢ ኸኣ ተላዕሎም፡ እቶም ሓላቑ ድማ ክዳውንቶም ገፊፎም፡ ብሽመል ክዘብጥዎም ኣዘዙ። 23ብዙሕ ምስ ዘበጥዎም ከኣ፡ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተውዎም፡ ነቲ ሓላው እሱራት ድማ ኣጽኒዑ ኽሕልዎም ኣዘዝዎ። 24ንሱ እዚ ትእዛዝ እዚ ምስ ተቐበለ ኸኣ፡ ናብቲ ውሽጢ ቤት ማእሰርቲ ኣእተዎም፡ ኣእጋሮም ከኣ ኣብ ጒንዲ ኣጽኒዑ ኣሰረ። 25ፍርቂ ለይቲ ምስ ኰነ ድማ፡ ጳውሎስን ሲላስን ንኣምላኽ እናለመኑ ብዜማ የመስግኑ ነበሩ። እቶም እሱራት ከኣ ይሰምዕዎም ነበሩ። 26ብድንገት ድማ፡ መሰረት እታ ቤት ማእሰርቲ ኽሳዕ ዝናወጽ፡ ብርቱዕ ምንድቕዳቕ ምድሪ ዀነ። ብኡብኡ ኸኣ ኲሉ እቲ መዓጹ ተኸፍተ፡ ናይ ኲላቶም መቓውሕውን ተፈትሐ። 27እቲ ሓላው እሱራት ምስ ተበራበረ ኸኣ፡ መዓጹ እታ ቤት ማእሰርቲ ተኸፊቱ ረኣየ። እቶም እሱራት ዝመለቑ መሲልዎ ድማ፡ ሰይፊ መሊሑ ርእሱ ክቐትል ደለየ። 28ጳውሎስ ግና፡ ኲላትና ኣብዚ ኣሎና እሞ፡ ኣብ ርእስኻ እከይ ኣይትግበር፡ እናበለ ዓው ኢሉ ጨደረ። 29ንሱ ድማ፡ መብራህቲ ሃቡኒ፡ ኢሉ እናጐየየ ኣተወ፡ ራዕራዕ እናበለውን ንጳውሎስን ንሲላስን ሰገደሎም። 30ናብ ግዳም ኣውጺኡ ኸኣ፡ ጐይተተይ፡ ምእንቲ ኽድሕንሲ፡ እንታይ ክገብር ይግብኣኒ፧ በሎም። 31ንሳቶም ከኣ፡ ብጐይታና የሱስ እመን እሞ ንስኻን ቤትካን ክትድሕኑ ኢኹም፡ በልዎ። 32ንእኡን ኣብ ቤቱ ንዘለዉ ዂላቶምን ከኣ ቃል እግዚኣብሄር ነገርዎም። 33በታ ሰዓት እቲኣ ብለይቲ ወሲዱ ኣቑሳሎም ሓጸቦም። ሽዑ ንሱ ምስ ኲሎም ስድራ ቤቱ ተጠምቀ። 34ናብ ቤቱ ኣደዪቡ ድማ መኣዲ ቐረበሎም፡ ብኣምላኽ ስለ ዝኣመነውን ምስ ኲላቶም ስድራ ቤቱ ተሓጐሰ። 35ምድሪ ምስ ወግሐ ግና፡ እቶም ሓላቑ፡ ነቶም ሰባት ፈቲሕካ ስደዶም፡ ኢሎም ገላዉ ለኣኹ። 36እቲ ሓላው እሱራት ድማ፡ እቶም ሓላቑ ኽትፍትሑ ልኢኾም ኣለዉ፡ ሕጂ ኸኣ ውጹ ብሰላምውን ኪዱ፡ ኢሉ ንጳውሎስ እዚ ቓልዚ ነገሮ። 37ጳውሎስ ግና፡ ንሕና ሮማውያን ክነስናስ፡ ብዘይ ፍርዲ ብግህዶ ዘቢጦም ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተዉና፡ ሕጂ ድማ ብሕቡእዶ ኽሰዱና፧ ባዕላቶም ደኣ መጺኦም የውጽኡና እምበር፡ እዝስ ከቶ ዘይከውን እዩ፡ በሎም። 38እቶም ገላዉ ኸኣ እዚ ነገርዚ ነቶም ሓላቑ ነገርዎም። ንሳቶም ድማ ሮማውያን ምዃኖም ምስ ሰምዑ፡ ፈርሁ። 39መጺኦም ከኣ ኣቃባጢሮም ኣውጽእዎም፡ ካብታ ኸተማ ኸግልሱውን ለመንዎም። 40ሽዑ ኻብ ቤት ማእሰቲ ወጺኦም፡ ናብ ቤት ልድያ ኣተዉ። ነቶም ኣሕዋት ምስ ረኣይዎም ከኣ፡ መዓድዎም ካብኡውን ሓለፉ።
ግ.ሃዋ. ምዕራፍ 17
1ብኣምፊጶሊስን ብኣጶሎንያን ኣቢሎም ከኣ ናብ ተሰሎንቄ ኣተዉ። ኣብኡውን ቤት ጸሎት ኣይሁድ ነበረት። 2ጳውሎስ ከኣ ከምቲ ልማዱ ናባታቶም ኣትዩ፡ ሰለስተ ሰንበት ብጽሑፋት ምሳታቶም ተዛራረበ፡ 3ንክርስቶስ ክስቀን ካብ ምዉታት ክትንስእን ከም ዝግብኦ፡ እዚ ዝሰብከልኩም ዘሎኹ የሱስ ከኣ ክርስቶስ እዩ፡ ኢሉ እናተርጐመ ይገልጸሎም ነበረ። 4ካባታቶም ከኣ ሓያሎ ኣሚኖም፡ ናብ ጳውሎስን ሲላስን ተጸምበሩ፡ ኣዝዮም ብዙሓት ካብቶም ንኣምላኽ ዝፈርሁ ጽርኣውያን፡ ካብተን ዓበይቲ ኣንስቲውን ሒደት ዘይኰና ኸምኡ ገበራ። 5እቶም ዘይኣመኑ ኣይሁድ ከኣ ቀኒኦም፡ ካብቲ ዕዳጋ እኩያት ሰብ ወሰዱ፡ ህዝቢ ኣኪቦም ድማ ነታ ኸተማ ኣነዓብዋ። ንቤት ያሶን ሓደጋ ወዲቖም ከኣ፡ ናብቶም ህዝቢ ኸውጽእዎም ደለዩ። 6ምስስኣንዎም ግና፡ ንያሶንን ንሓያሎ ኻብ ኣሕዋትን ናብቶም መኳንንቲ እታ ኸተማ ስሒቦም፡ እዞም ንዂሉ ዓለም ዘናዕቡስ ናብዚ ኸኣ መጺኦም፡ 7ያሶን ከኣ ከም ኣጋይሽ ተቐቢልዎም ኣሎ፡ ንሳቶም ኲላቶም ምስ ኣዋጅ ቄሳር ዝጻላእ ነገር ይገብሩ፡ የሱስ ዝብሃል ካልእ ንጉስ ኣሎውን፡ ይብሉ እዮም፡ እናበሉ ጨደሩ። 8ንሳቶም እዚ ንዝሰምዑ ሰባትን ንመኳንንቲ እታ ኸተማን ኣዕገርገርዎም። 9ንያሶንን ነቶም ካልኦትን ዋሕስ ኣትኪሎም ከኣ፡ ሓደግዎም። 10እቶም ኣሕዋት ግና ንጳውሎስን ሲላስን ብኡብኡ ብለይቲ ናብ ቤርያ ሰደድዎም። ኣብኣ ምስ በጽሑ ኸኣ፡ ናብ ቤት ጸሎት ኣይሁድ ኣተዉ። 11ንሳቶም ድማ ካብቶም ኣብ ተሰሎንቄ ዝነብሩ ዝበለጸ ደግታት ነበሩ። ንሳቶም፡ እዚ ነገርዚ እስኪ ኸምኡ እንተ ዀይኑ፡ ኢሎም ኣብ ጸጽባሕ ነቲ ጽሑፋት እናመርመሩ፡ ነቲ ቓል ብዂሉ ፍቓዶም ተቐበልዎ። 12ስለዚ ብዙሓት ካባታቶምን ካብተን ክቡራት ኣንስቲ ጽርእን ሰብኡትን፡ ሒደት ዘይኰኑ፡ ኣመኑ። 13ኣብ ተሰሎንቄ ዝነበሩ ኣይሁድ ከኣ ጳውሎስ ኣብ ቤርያ ድማ ቃል ኣምላኽ ከም ዝነገረ ምስ ሰምዑ፡ ነቲ ህዝቢ ኽዘርጉን ከናዕቡን ናብኣውን መጹ። 14ሽዑ እቶም ኣሕዋት ንጳውሎስ፡ ክሳዕ ባሕሪ ክኸይድ፡ ቀልጢፎም ሰደድዎ። ሲላስን ጢሞቴዎስን ግና ኣብኣ ተረፉ። 15እቶም ንጳውሎስ ዝወሰዱ ግና ክሳዕ ኣቴና ኣብጽሕዎ እሞ፡ ሲላስን ጢሞቴዎስን ቀልጢፎም ናብኡ ይስዓብዎ፡ ዝብል ትእዛዝ ሒዞም ናባታቶም ተመልሱ። 16ጳውሎስ ድማ ኣብ ኣቴና ኽጽበዮም ከሎ፡ እታ ኸተማ ጣኦታት መሊኣ ምስ ረኣየ፡ ብመንፈሱ ተቓጸለ። 17ስለዚ ኣብ ቤት ጸሎት ምስ ኣይሁድን ምስቶም ፈራህቲ ኣምላኽን፡ ኲሉ መዓልቲ ድማ ኣብ ዕዳጋ ምስ ዝረኸቦምን ይዛራረብ ነበረ። 18ሓያሎ ፊሎሶፋት ከኣ ካብ ኤጲቁሬዎስን እስጦይኮስን ምስኡ ጸመዱ። ገሊኦም ከኣ፡ እዚ ዓጃው እንታይ ክብል ኰን እዩ ዝደሊ ዘሎ፧ በሉ። ገሊኦም ድማ፡ ብናይ የሱስን ትንሳኤን ስለ ዝሰበኸሎም፡ ብሓደስቲ ኣማልኽቲ ዝምህር ዘሎ ደኣ ይመስል፡ በሉ። 19-20ጋሻ ነገር ኣብ ኣእዛንና ተስምዓና ኣሎኻ እሞ፡ እዚ ንስኻ እትዛረቦ ሓዲሽ ትምህርትስ እንታይ ምዃኑ ኽንፈልጦዶ ይከኣለና እዩ፧ እዚ ነገርዚ እንታይ ምዃኑ ኽንፈልጥ ንደሊ ኣሎና፡ እናበሉ ድማ ሒዞም ናብ ኣርዮስፋጎስ ወሰድዎ። 21ኲሎም ሰብ ኣቴናን ኣብኣ ዝነብሩ ጓኖትን ብዘይ ንሓድሽ ነገር ምዝራብን ምስማዕን እንተ ዘይኰይኑ፡ ንኻልእሲ ግዜ ኣይነበሮምን። 22ጳውሎስ ግና ኣብ ማእከል ኣርዮስፋጎስ ደው ኢሉ በለ፡ ኣቱም ሰብ ኣቴና፡ ብዂሉ ነገር ምምላኽ ኣማልኽቲ ኸም እተብዝሑ፡ እርእየኩም ኣሎኹ። 23እናዞርኩ መቓድስኩም ክርኢ ኸሎኹ፡ ንዘይተፈልጠ ኣምላኽ ዝብል እተጻሕፎ መሰውኢ ረኸብኩ። እምብኣርሲ እዚ ኸይፈለጥኩም እተምልኽዎ ዘሎኹም፡ ንእኡ ኣነ እነግረኩም ኣሎኹ። 24እቲ ዓለምን ኣብኣ ዘሎን ዝገበረ ኣምላኽ፡ ንሱ ጐይታ ሰማይን ምድርን እዩ እሞ፡ ብኢድ ኣብ እተሃንጸ መቓድስ ኣይሓድርን እዩ። 25ንሱ ህይወትን ትንፋስን ኲሉ ነገርን ንዂሉ ዝህብ እዩ፡ ገለ ኸም ዝጨንቆ ኢድ ሰብ ኣየገልግሎን እዩ። 26-28ካብቶም ተቐነይትኹም ድማ ሓያሎ፡ ንሕና ኻብ ዓሌት ኣምላኽ ኢና፡ ኢሎም ከም ዘለዉ፡ ብእኡ ኢና እንነብርን እንዋሳወስን ብእኡ ኸኣ ኢና ዘሎና እሞ፡ ንሱ ኻብ ሓደ ሰብ ኣብ ርእሲ ዂላ ምድሪ ኽነብሩ ዂሉ ዓሌት ሰብ ፈጠረ። ንሱ ኻብ ነፍሲ ወከፍና ዘይረሓቐ ኽነሱ፡ ምናልባሽ ሃሰስ ኢሎም እንተ ረኸብዎ፡ ንኣምላኽ ምእንቲ ኽደልዩ፡ ንመናበሪኦም ድማ ውሱን ዘመናትን ድዉብ ደረትን ሓገገሎም። 29እምብኣርስኸ ዓሌት ኣምላኽ ካብ ኰንናስ፡ ኣምላኽ ነቲ ብናይ ሰብ ብልሓትን ሓሳብን እተገብረ ቕርጺ ወርቂ ወይ ብሩር ወይ እምኒ ኸም ዝመስል፡ ክንሓስቦ ኣይግብኣናን እዩ። 30-31ኣምላኽ ነቲ ዘመን ድንቁርና ኣሕሊፉ፡ በቲ ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ እሞ ብእኡ ንዂሉ እምነት እናሃበ ዝመደቦ ሰብኣይ ንዓለም ብጽድቒ ዝፈርደላ መዓልቲ ወሲኑ ስለ ዘሎ፡ ሕጂ ኣብ ኲሉ ቦታ ንብዘሎ ሰብ ክንስሑ ይነግር ኣሎ። 32ብዛዕባ ትንሳኤ ምዉታት ምስ ሰምዑ ግና፡ ገሊኦም ኣላገጹሉ፡ ገሊኦም ከኣ፡ እዝስ ከም ብሓድሽ ድማ ክንሰምዓካ ንደሊ ኢና፡ በልዎ። 33ከምኡ ድማ ጳውሎስ ካብ ማእከሎም ወጸ። 34ሓያሎ ሰብኡት ከኣ ሰዓብዎ እሞ ኣመኑ፡ ካባታቶም ድማ እቲ ናይ ኣርዮስፋጎስ መኰነን፡ ድዮኒስዮስን ደማሪስ እትብሃል ሰበይቲ፡ ከምኡውን ካልኦት ምሳታቶም ነበሩ።
ግ.ሃዋ. ምዕራፍ 18
1ድሕርዚ ጳውሎስ ካብ ኣቴና ተበጊሱ ናብ ቈረንቶስ መጸ 2ቅላውዴዎስ ኲሎም ኣይሁድ ካብ ሮሜ ኽለቁ ኣዘዘ እሞ፡ ሽዑ ቕነ ምስ ሰበይቱ ጵርስኪላ ኻብ ኢጣልያ ዝመጸ ኣኪላስ ዝብሃል ኣይሁዳዊ ብዓል ጶንጦስ ረኸበ ናባታቶምውን ተጸምበረ። 3ዕዮኦም ሓደ ስለ ዝነበረ ኸኣ፡ እናዓየየ ምሳታቶም ተቐመጠ፡ እቲ ዕዮኦም ድማ ምስፋይ ድንኳን ነበረ። 4ሰንበት ሰንበት ከኣ ኣብ ቤት ጸሎቶም ይዛራረብ፡ ንኣይሁድን ንጽርኣውያንን ድማ የረድኦም ነበረ። 5ሲላስን ጢሞቴዎስን ካብ መቄዶንያ ምስ ወረዱ፡ ጳውሎስ፡ እቲ የሱስ ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ ንኣይሁድ እናመስከረ፡ ብዕዮ እቲ ቓል ጸኒዑ ነበረ። 6ንሳቶም ምስ ተኸራኸርዎን ምስ ጸረፉን ግና፡ ክዳኑ ነጊፉ፡ ደምኩም ኣብ ርእስኹም ይኹን፡ ኣነ ንጹህ እየ፡ ካብ ሕጂ ኸኣ ናብ ኣህዛብ ክኸይድ እየ፡ በሎም። 7ኻብኡ ወጺኡ ድማ፡ ናብቲ ቲትዮስ ዮስጦስ ዝብሃል፡ እግዚኣብሄር ዝፈርህ ሰብኣይ፡ ቤቱ ኸኣ ኣብ ጥቓ ቤት ጸሎቶም ዝነበረት፡ ኣተወ። 8ኪሪስጶስ እቲ መራሕ ቤት ጸሎት ድማ፡ ምስ ኲሉ ስድራ ቤቱ ብጐይታ ኣመነ። ካብ ሰብ ቈረንቶስውን ብዙሓት ሰሚዖም ኣመኑን ተጠምቁን። 9-10ጐይታ ኸኣ ለይቲ ብራእይ ንጳውሎስ ተራእዮ እሞ፡ ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ብዙሕ ህዝቢ ስለ ዘሎኒ፡ ተዛረብ ደኣ እምበር፡ ስቕ ኣይትበል፡ ኣነ ምሳኻ እየ እሞ፡ ክፉእ ክገብረካ ዝቐርበካ የልቦን፡ ኣይትፍራህ፡ በሎ። 11ኣብኣ ቓል ኣምላኽ እናመሃረ ዓመትን ሹድሽተ ወርሕን ኣብ ማእከሎም ተቐመጠ። 12-13ጋልዮስ ኣብ ኣካይያ ምስሌንነት ተሸይሙ ኸሎ፡ ኣይሁድ ሓቢሮም ኣብ ጳውሎስ ተንስኡ፡ እሞ፡ ብዘይ ሕጊ ንኣምላኽ ከምልኽዎ ንሰብ ይሓባብል ኣሎ፡ እናበሉ ናብ መጋባእያ ኣምጽእዎ። 14ጳውሎስ ኣፉ ክኸፍት ምስ ደለየ ግና፡ ጋልዮስ ንኣይሁድ፡ ኣቱም ኣይሁድ፡ ገለ ዓመጽ ወይስ ገለ ኽፉእ ግብሪ እንተ ዝኸውንሲ፡ ሃዲአ ኽሰምዓኩም ምተገብአ ነይሩ። 15ክርክር ብዛዕባ ቓልን ስምን ሕግኹምን እንተ ዀነ ግና፡ ኣነ ኣብዚ ነገርዚ ፈራዲ ክኸውን ኣይፈቱን እየ እሞ ባዕላትኩም ፍለጡ፡ በሎም። 16ካብቲ መጋባእያውን ሰጐጎም። 17ኲላቶም ከኣ ንሶስቴነስ መራሕ ቤት ጸሎት ሒዞም ሓቢሮም ኣብ ቅድሚ መጋባእያ ዘበጥዎ። ጋልዮስ ግና ግዲ እዚ እኳ ኣይነበሮን። 18ጳውሎስ ግና ድሕርዚ ሓያሎ መዓልቲ ምስ ተቐመጠ፡ ካብቶም ኣሕዋት ተሳናበተ። መብጽዓ ስለ ዝነበሮ፡ ኣብ ክንክሬኣ ርእሱ ምስ ተላጸየ ኸኣ፡ ምስ ጵርስኪላን ኣኪላስን ብመርከብ ናብ ሶርያ ኸደ። 19ኣብ ኤፌሶን ምስ በጽሐ ኸኣ፡ ንኣታቶም ኣብኣ ሓደጎም። ንሱ ግና ናብ ቤት ጸሎት ኣትዩ ምስቶም ኣይሁድ ይዛራረብ ነበረ። 20ንሳቶም ብዙሕ መዓልቲ ምሳታቶም ክጸንሕ እንተ ለመንዎ ኸኣ፡ ኣበዮም፡ 21በዚ ዝመጽእ በዓል ብዘበልኩ ኣቢለ ኣብ የሩሳሌም ክውዕል ይግብኣኒ እዩ፡ ኣምላኽ እንተ ፈቐዶ ኸኣ፡ ናባታትኩም ክምለስ እየ፡ ኢሉ ተሳናበቶም። ካብ ኤፌሶን ከኣ ብመርከብ ከደ። 22ኣብ ቂሳርያ በጽሐ፡ ካብኣ ደዪቡ፡ ንማሕበር ሰላም ምስ በለ፡ ናብ ኣንጾኪያ ወረደ። 23ሓያሎ መዓልቲ ኣብኣ ምስ ቀነየ ኸኣ፡ ካብኣ ተበጊሱ ንዂላቶም ደቀ መዛሙርቲ እናጽንዐ፡ ኣብ ሃገር ገላትያን ፍርግያን በብተራ ዞረ። 24ሓደ ሊቅ ኣጵሎስ ዝስሙ ኣይሁዳዊ፡ ብዓል እስኪንድርያ፡ ብጽሑፋት ከኣ ስልጡን ሰብኣይ፡ ናብ ኤፌሶን መጸ። 25መገዲ እግዚኣብሄር ምሁር ነበረ፡ ጥምቀት ዮሃንስ ጥራይ ክነሱ ዝፈልጥሲ፡ ብመንፈስ ሞይቁ ብዛዕባ ናይ የሱስ ይነግር ኣጸቢቑውን ይምህር ነበረ፡ 26ንሱ ኣብ ቤት ጸሎት ብትብዓት ክምህር ጀመረ። ጵርስኪላን ኣኪላስን ምስ ሰምዕዎ ኸኣ፡ ወሲዶም መገዲ ኣምላኽ ኣጸቢቖም ኣረድእዎ። 27ናብ ኣካይያ ኽሓልፍ እንተ ደለየ፡ እቶም ኣሕዋት ኣጸናንዕዎ፡ ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ድማ ክቕበልዎ ጸሓፉሎም። ኣብኣ ምስ በጽሐ ኸኣ፡ ነቶም ኣመንቲ ብጸጋ ኣምላኽ ብዙሕ ጠቐሞም። 28የሱስ ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ ብጽሑፋት እናኣርኣየ፡ ንኣይሁድ ኣብ ቅድሚ ዂሉ ብግሁድ ኣጸቢቑ ይረትዖም ነበረ።
ግ.ሃዋ. ምዕራፍ 19
1ኰነ ድማ፡ ኣጵሎስ ኣብ ቈረንቶስ ከሎ፡ ጳውሎስ፡ በቲ ላዕላይ ሃገር ሓሊፉ ናብ ኤፌሶን መጸ፡ ሓያሎ ደቀ መዛሙርቲ ድማ ረኸበ እሞ፡ 2ምስ ኣመንኩምሲ፡ መንፈስ ቅዱስዶ ተቐቢልኩም፧ በሎም። ንሳቶም ከኣ፡ ኣይፋልናን፡ መንፈስ ቅዱስ ከም ዘሎ እኳ ኣይሰማዕናን፡ ኢሎም መለሱሉ። 3ንሱ ኸኣ፡ ብኣየናይ ጥምቀት ደኣ ተጠመቕኩም፧ በሎም። ንሳቶምውን፡ ብናይ ዮሃንስ ጥምቀት፡ በልዎ። 4ሽዑ ጳውሎስ፡ ዮሃንስሲ በቲ ድሕሪኡ ዝመጽእ፡ ማለት ብየሱስ ክርስቶስ፡ ክኣምኑ፡ ነቶም ህዝቢ እናነገረ ጥምቀት ንስሓ እዩ ዘጥመቐ፡ በሎም። 5እዚ ምስ ሰምዑ፡ ብስም ጐይታና የሱስ ተጠምቁ። 6ጳውሎስ ኢዱ ምስ ኣንበረሎም ከኣ፡ መንፈስ ቅዱስ ናባታቶም ወረደ። ሽዑ ብቛንቋታት ተዛረቡን ተነበዩን። 7እቶም ሰባት ከኣ ኲላቶም ኣስታት ዓሰርተው ክልተ ዝኣኽሉ ነበሩ። 8ኣብ ቤት ጸሎት ኣኣትዩ፡ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ እናነገሮምን እናኣረድኦምን፡ ሰለስተ ወርሒ ብትብዓት ይዛራረቦም ነበረ። 9ሓያሎ ነቲ መገዲ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ እናካፍኡ ምስ ተታረሩን ምእማን ምስ ኣበዩን ግና፡ ካባታቶም ኣግለሰ። ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ፈልዩ ኣብ ጸጽባሕ ኣብ ቤት ትምህርቲ ጢራኖስ ኰይኑ ይዛራረቦም ነበረ። 10እዚ፡ ኣብ እስያ ዝነበሩ ዂሎም ኣይሁድን ጽርኣውያንን ነቲ ቓል ጐይታ ኽሳዕ ዝሰምዕዎ፡ ክልተ ዓመት ምሉእ እናቐጸለ ኸደ። 11ኣምላኽ ከኣ ብኢድ ጳውሎስ ብዙሕ በይኑ ዝዀነ ተኣምራት ገበረ፡ 12መኣረምያኡ ወይስ ክዳኑ ኻብ ዝባኑ ወሲዶም ኣብቶም ሕሙማት የንብሩ እሞ ሕማሞም ይሓድጎም፡ ርኹሳት መናፍስቲውን ካባታቶም ይወጹ ነበሩ። 13ካብቶም ኣስማት እናገበሩ ዝዞሩ ኣይሁድ ከኣ ሓያሎ ነቶም ርኹሳት መናፍስቲ ዝሓደርዎም፡ በቲ ጳውሎስ ዝሰብኮ የሱስ ነምሕለኩም ኣሎና፡ ኢሎም ስም ጐይታና የሱስ ክሰምዩሎም ፈተኑ። 14እቶም እዚ ዝገበሩውን ሾብዓተ ደቂ ሓደ ኣስቄዋ ዝብሃል ኣይሁዳዊ ሊቀ ኻህናት እዮም። 15እቲ ርኹስ መንፈስ ድማ፡ ንየሱስ እፈልጦ፡ ንጳውሎስውን ኣይስሕቶን እየ፡ ንስኻትኩምከ እንታዎት ኢኹም፧ ኢሉ መለሰሎም። 16እቲ ርኹስ መንፈስ ዝሓደሮ ሰብኣይ ከኣ ጐየዮም፡ ጥራዮም ኰይኖም ቈሲሎም ካብታ ቤት ክሳዕ ዝሃድሙ ንኽልተ ኻባታቶም ተባራቲዑ ኣሕመቖም። 17እዚ ነገርዚ ኣብቶም ኣብ ኤፌሶን ዝነብሩ ኣይሁድን ጽርኣውያንን ኲላቶም ተፈልጠ። ንዂላቶምውን ፍርሃት ወደቖም፡ ስም ጐይታና የሱስ ከኣ ተመስገነ። 18ካብቶም ዝኣመኑ ኸኣ ብዙሓት ነቲ ዝገበርዎ እናተኣመኑን እናነገሩን መጹ። 19ብዙሓት ጠንቈልቲ ድማ መጻሕፍቶም ኣኪቦም ኣብ ቅድሚ ዂሉ ኣንደድዎ። ዋጋኡ እንተ ተጸብጸበ ኸኣ፡ ሓምሳ ሽሕ ድሪም ኰይኑ ተረኽበ። 20ቃል ጐይታውን ከምዚ ኢሉ ብሓይሊ ዓበየን በርትዐን። 21እዚ ነገርዚ ምስ ተወድአ፡ ጳውሎስ ብመቄዶንያን ብኣካይያን ሓሊፉ ናብ የሩሳሌም ክኸይድ ብመንፈስ ሓሰበ እሞ፡ ኣብኣ ምስ በጻሕኩውን፡ ንሮሜ ድማ ክርእያ የድልየኒ እዩ፡ በለ። 22ክልተ ኻብቶም ደገፍቱ፡ ጢሞቴዎስን ኤራስጦስን፡ ናብ መቄዶንያ ሰደዶም፡ ንሱ ግና ኣብ እስያ ሓያሎ ወርሓት ጸንሐ። 23በቲ ቕነቲ ብዛዕባ እዚ መገዲዚ ብዙሕ ዕግርግር ኰነ። 24ድሜጥሮስ ዝብሃል ሓደ ንኣርጤምስ ዝኸውን መቕደስ ብሩር ዝሰርሕ ኣንጠረኛ ነቶም ኣንጠረኛታት ብዙሕ የርብሖም ነበረ። 25ነዚኣቶምን ነቶም ብዕዮኦም ዝሓብርዎምን ኣኪቡ ኸኣ፡ ከምዚ በሎም፡ ኣቱም ሰባት፡ ጥቕምና ኻብዚ ስራሕዚ ምዃኑ ትፈልጡ ኣሎኹም። 26እዚ ጳውሎስ፡ እዞም ብኢድ ዝግበሩስ ኣማልኽቲ ኣይኰኑን፡ እናበለ ኣብ ኤፌሶን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ዳርጋ ኣብ ኲላ እስያ ንብዙሓት ሰባት ከም ዘስድዐን ከም ዘዕለወን፡ ትርእዩን ትሰምዑን ኣሎኹም። 27እታ ዂላ እስያን ብዘላ ዓለምን ዘምልኻኣ ዓባይ ኣርጤምስ፡ መቕደሳ ኸም ከንቱ ኸይቁጸር ክብረታውን ከይሰዓር እምበር፡ ስራሕና ኸይንዓቕ ጥራይ ኣይኰነን ዘፍርሃና ዘሎ። 28እዚ ምስ ሰምዑ፡ ኲራ መልኦም እሞ ዓው ኢሎም፡ ኣርጤምስ ሰብ ኤፌሶን ዓባይ እያ፡ እናበሉ ጨደሩ። 29ኣብታ ኸተማ ድማ ዕግርግር ኰነ፡ ንጋይዮስን ኣርስጣርኮስን፡ ሰብ መቄዶንያ ብጾት ጳውሎስን፡ እናሰሓቡ ሓቢሮም ናብታ ስፍራ ጓይላ ጐየዩ። 30ጳውሎስ ኣብ ማእከል እቶም ህዝቢ ኽኣቱ እንተ ደለየ ኸኣ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸልከልዎ። 31ካብቶም ፈተውቱ ዝነበሩ ዓበይቲ እስያ ገሊኦም ከኣ፡ ናብታ ስፍራ ጓይላ ኸይመጽእ፡ ልኢኾም ለመንዎ። 32እቶም ኣኼባ ዝርግርግ ኢሎም ነበሩ እሞ፡ ዝበዝሑስ ብዛዕባ እንታይ ከም እተኣከቡ እኳ ኣይፈልጡን ነበሩ፡ ስለዚ ገሊኦም ከምዚ ገሊኦምውን ከምቲ ኢሎም ይጭድሩ ነበሩ። 33ኣይሁድ ንእስኪንድሮስ ንቕድሚት ገጾም ምስ ደፍእዎ ኸኣ፡ እቲኣቶም ካብ ማእከል እቶም ሰባት ሰሓብዎ። እስኪንድሮስ ከኣ ነቶም ህዝቢ ኽምጒተሎም ደልዩ ብኢዱ ኣመልከተ። 34ኣይሁዳዊ ምዃኑ ምስ ፈለጡ ግና፡ ናይ ሰብ ኤፌሶን ኣርጤምስ ዓባይ እያ፡ እናበሉ፡ ኲላቶም ብሓደ ቓል ኰይኖም ክልተ ሰዓት ዝኣክል ጨደሩ። 35እቲ ናይታ ኸተማ ጸሓፊ ነቶም ህዝቢ ኣህዲኡ በለ፡ ኣቱም ሰብ ኤፌሶን፡ ከተማ ኤፌሶን ነቲ መቕደስ እታ ዓባይ ኣርጤምስን ነቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ ምስላን ከም እትሕሉ ዘይፈልጥ ሰብ እንታዋይ እዩ፧ 36እምብኣርሲ እዚ ኣሉ ዘይብሃል ነገር ካብ ኰነ፡ ክትሃድኡ ብታህዋኽውን ሓደ ነገር ከይትገብሩ ይግብኣኩም እዩ። 37እዞም ሰባት እዚኣቶም መቕደስኩም ከይሰረቑ ንኣምላኽኩምውን ከይጸረፉ ኢኹም ኣምጺእኩምዎም ዘሎኹም። 38ዲሜጥሮስን እቶም መሳርሕቱን ግና ገለ ነገር እንተ ኣለዎም፡ መዓልቲ መጋባእያን ምስሌነታትን ኣለውዎም፡ ነንሓድሕዶም ይካሰሱ። 39እዚ እተልዕልዎ ዘረባ ስለ ኻልእ ነገር እንተ ዀይኑ ኸኣ፡ ኣብቲ ስሩዕ ዋዕላ ይቑረጽ። 40በዚ ዕግርግር እዚ እንመልሶ ምኽንያት ስለ ዘይብልና፡ በዚ ሎሚ ዝዀነ ታዕታዕ እኳ ኸይንኽሰስ ንፈርህ ኣሎና። 41ከምዚ ኢሉ ነቲ ኣኼባ በተኖ።
ግ.ሃዋ. ምዕራፍ 20
1እቲ ታዕታዕ ምስ ዓረፈ፡ ጳውሎስ ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ጸዊዑ መዓዶም፡ ተሳናቢትዎም ከኣ ናብ መቄዶንያ ክኸይድ ነቐለ። 2ብብዙሕ ቃል እናመዓዶም ከኣ፡ ነቲ ሃገር ዞይሩ ናብ ጽርኢ መጸ። 3ኣብኣ ሰለስተ ወርሒ ምስ ገበረ፡ ናብ ሶርያ ብመርከብ ክኸይድ ሓሲቡ ኸሎ፡ ኣይሁድ ውዲት ስለ ዝገበሩሉ፡ ብመቄዶንያ ገይሩ ኽምለስ ምኽሩ ቘረጸ። 4ክሳዕ እስያ ኸኣ እኒ ሶጳጥሮስ፡ ወዲ ጲሮስ ብዓል ቤሮያን፡ ኣርስተርኮስን ሴኮንዶስን፡ ሰብ ተሰሎንቄ፡ ጋይዮስ ብዓል ደርቤን ጢሞቴዎስን ካብ እስያ ኸኣ ትኪቆስን ጥሮፊሞስን ኣሰነይዎ። 5እዚኣቶም ቅድሜና ሓሊፎም ኣብ ጥርኣስ ተጸበዩና። 6ንሕና ግና ድሕሪ በዓላት ቅጫ ኻብ ፊልጲ ብመርከብ ነቒልና ብሓሙሽተ መዓልቲ ኣብ ጥሮኣስ ናባታቶም በጻሕና፡ ኣብኣውን ሾብዓተ መዓልቲ ቐኔና። 7ብቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን፡ እንጌራ ኽንቈርስ ተኣኪብና ኸሎና፡ ጳውሎስ ንጽብሒቱ ኽብገስ ሓሲቡስ ይዛረቦም ነበረ፡ ዘረባኡ ድማ ክሳዕ ፈረቓ ለይቲ ኣንውሐ። 8ኣብቲ ተኣኪብናሉ ዝነበርና ላዕላይ ደርቢ ብዙሕ መብራህትታት ይበርህ ነበረ። 9ኣውጢኮስ ዝስሙ ጐበዝ ኣብ መስኰተ ተቐሚጡ ኸሎ፡ ከቢድ ድቃስ ወሰዶ። ጳውሎስ ዘረባኡ ምስ ኣንውሐ ኸኣ፡ ድቃስ ከቢድዎ፡ ካብ ሳልሰይቲ ደርቢ ናብ ታሕቲ ወደቐ፡ ሞይቱ ድማ ኣልዓልዎ። 10ጳውሎስ ወሪዱ ኣብ ልዕሊኡ በጥ በለ፡ ሓቑፍዎ ኸኣ፡ ነፍሱ ኣብኡ ኣላ እሞ፡ ዋይዋይ ኣይትበሉ፡ በሎም። 11ደዪቡ ድማ እንጌራ ቘሪሱ በልዐ፡ ክሳዕ ምድሪ ዝወግሕ ብዙሕ ምስ ተዛረቦም ከኣ፡ በዚ ኸምዚ ኻብኡ ነቐለ። 12ነቲ ወዲ ኸኣ ብህይወቱ ኣምጽእዎ እሞ ኣዝዮም ተጸናንዑ። 13ንሕና ቕድም ኣብ መርከብ ኣቶና፡ ጳውሎስ ምድሪ ምድሪ ክኸይድ ደልዩ፡ ንእኡ ኽንቅበሎ ሓሲብና፡— ከምኡ ኣዚዙና ነበረ እሞ፡— ንኣሶስ ኣቢልና ሓለፍና። 14ኣብ ኣሶስ ምስ ተራኸብና፡ ተቐቢልናዮ ናብ ሜጢሌኔ መጻእና። 15ንጽብሒቱ ኸኣ ካብኣ ብመርከብ ጌርና ኣብ መንጽር ክዮስ በጻሕና፡ በታ ኻልኣይቲ መዓልቲ ድማ ነታ መርከብ ኣብ ሳሞስ ኣቘምናያ፡ ንጽብሒቱ ድማ ኣብ ሚሊጦስ ኣቶና። 16እንተ ዀይኑሉስ፡ ጳውሎስ ንበዓል ሓምሳ ኣብ የሩሳሌም ከብዕል ተሃዊኹ ነበረ እሞ፡ ኣብ እስያ ምእንቲ ኸይድንጒ ኢሉ፡ ናብ ኤፌሶን ከይኣቱ ምኽሩ ወድአ። 17ካብ ሚሊጦስ ናብ ኤፌሶን ልኢኹ፡ ነቶም ሽማግሌታት ማሕበር ናብኡ ጸውዖም። 18ናብኡ ምስ መጹ ኸኣ በሎም፡ ካብታ ናብ እስያ ዝኣቶኹላ ቐዳመይቲ መዓልቲ ጀሚሩ ዂሉ ግዜ ምሳኻትኩም ከመይ ከምዝነበርኩ፡ ንስኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም። 19ብዂሉ ትሕትናን ብብዙሕ ንብዓትን ብውዲት ኣይሁድ ብዝበጽሓኒ ፈተናን ንጐይታ ኸመይ ገይረ ኸም ዘገልገልክዎ፡ 20-21ንኣይሁድን ንጽርኣውያንን ብንስሓ ናብ ኣምላኽ ክምለሱ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ከኣ ክኣምኑ እናመስከርኩ፡ ዝጠቅም ዘበለ እናሰበኽኩልኩም ኣብ ዋዕላ ዀነ ኣብ ቤት ኰነ ምምሃርኩም ከቶ ኣየብኰርኩን። 22-23ሕጂ ግና እንሆ፡ ኣነ ብመንፈስ ተኣሲረ ናብ የሩሳሌም እኸይድ ኣሎኹ፡ ብዘይ እታ፡ መንፈስ ቅዱስ፡ ማእሰርትን ጸበባን ክጸንሓካ እዩ፡ እናበለ ኣብ ከከተማኡ ዝምስክረለይ ዘሎ እንተ ዘይኰይናስ፡ ኣብ የሩሳሌም እንታይ ከም ዝረኽበኒ ኣይፈልጥን እየ። 24ጒያይን ብጐይታና የሱስ እተቐበልክዋ መልእኽተይን ክፍጽም፡ ወንጌል ጸጋ ኣምላኽ እናመስከርኩ ህይወተይውን ብኣይሲ ኸም ክብርቲ ገይረ ኣይርእያን እየ። 25ሕጂ ድማ እንሆ፡ ንስኻትኩም ኲላትኩም፡ እናዞርኩ መንግስቲ ኣምላኽ ዝሰበኽኩልኩም፡ ደጊም ገጸይ ከም ዘይትርእዩ፡ እፈልጥ ኣሎኹ። 26-27ኲሉ ምኽሪ ኣምላኽ ነገርኩኹም እምበር፡ ዘትረፍኩልኩም የብለይን እሞ፡ ካብ ደም ኲልኻትኩም ንጹህ ምዃነይ ሎም መዓልቲ እምስክረልኩም ኣሎኹ። 28ስለዚ ንርእስኹምን ነታ ብገዛእ ደሙ ዘጥረያ ማሕበር ጐይታን ክትጓስዩ፡ መንፈስ ቅዱስ ኤጲስቆጶሳት ገይሩ ኣብኣ ዝሸመኩም ኲሉ መጓሰ ሓልዉ። 29ኣነ ምስ ኣግለስኩ፡ ነቲ መጓሰ ዘይንሕፉ እኩያት ተዃሉ ኸም ዝኣትዉኹም፡ እፈልጥ ኣሎኹ። 30ንደቀ መዛሙርቲ ደድሕሪኦም ምእንቲ ኽስሕቡ፡ ቄናን ነገር ዝምህሩ ኻባኻትኩም ክትንስኡ እዮም። 31ስለዚ ሰለስተ ዓመት ምሉእ ለይትን መዓልትን ብንብዓት ንነፍሲ ወከፍኩም ምምዓድ ከም ዘየብኰርኩ፡ እናዘከርኩም ንቕሑ። 32ሕጂ ድማ ንኣምላኽን ነቲ ኽሃንጸኩምን ምስ ኲላቶም ቅዱሳን ከረስትየኩምን ዝኽእል ቃል ጸጋኡን አማሕጽነኩም ኣሎኹ። 33ብሩር ኰነ ወይ ወርቂ ወይ ክዳን ካብ ሓደ እኳ ኣይደሌኹን። 34ንኣይን ነቶም ምሳይ ዝነብሩን እዘን ኣእዳወይ ከም ዘገልግላ ባዕላትኩም ትፈልጡ ኢኹም። 35ነቲ ጐይታና የሱስ ባዕሉ፡ ካብ ምቕባልሲ ምሃብ ኣዝዩ ይባርኽ፡ ዝበሎ ቓል እናዘከርካ፡ ከምዚ ጌርካ፡ ምዕያይን ንድኹማት ምእላይን ከም ዝግባእ፡ ብዂሉ ኣርኤኹኹም። 36እዚ ምስ በለ ኸኣ፡ ተምበርኪኹ ምስ ኲሎም ሓቢሩ ጸለየ። 37ኲላቶም ከኣ ብዙሕ በኸዩ፡ ንጳውሎስ ድማ ብኽሳዱ ሓኒቖም ሰዓምዎ። 38ካብ ኲሉ ኸኣ ስለቲ፡ ደጊምሲ ገጸይ ኣይክትርእዩን ኢኹም፡ ዝበሎ ቃል ኣዝዮም ጐሃዩ። ክሳዕ እታ መርከብውን ኣፋነውዎ።
ግ.ሃዋ. ምዕራፍ 21
1ኰነ ድማ፡ ካባታቶም ተፈሊና ብመርከብ ምስ ተበገስና፡ መገድና ኣቕኒዕና ናብ ቆስ መጻእና፡ ንጽብሒቱ ኸኣ ንሮዶስ፡ ካብኣውን ናብ ጳጥራ ኣቶና። 2ናብ ፊንቄ እትኸይድ መርከብ ምስ ረኸብና ኸኣ፡ ብእኣ ጌርና ነቐልና። 3ንቆጵሮስ ኣማዕዲና ርኢናያስ፡ ንጸጋምና ሓዲግናያ ናብ ሶርያ ኣበልና። ጽዕነት እታ መርከብ ኣብ ጢሮስ ዝራገፍ ነበረ እሞ፡ ናብኣ ኣቶና። 4ደቀ መዛሙርቲ ረኺብናስ፡ ኣብኣ ሾብዓተ መዓልቲ ቐኔና እሞ፡ ንሳቶም ብመንፈስ ተደሪኾም፡ ንጳውሎስ ናብ የሩሳሌም ከይድይብ ነገርዎ። 5ኰነ ኸኣ፡ እተን መዓልትታት እቲኣተን ምስ ኣሕለፍና፡ ክንከይድ ወጻእና። ኲላቶም ድማ ምስ ኣንስቶምን ደቆምን ኰይኖም ክሳዕ ወጻኢ እታ ኸተማ ኣፋነዉና፡ ኣብቲ ገምገም ባሕሪ ዄንና ኸኣ ተምበርኪኽና ጸሌና። 6ንሓድሕድና ደሓን ውዓሉ ተባሃሂልና ኸኣ፡ ናብታ መርከብ ደየብና፡ ንሳቶምውን ነንገዛኦም ተመልሱ። 7ንሕና ግና ብመርከብ ምኻድ ምስ ወዳእና፡ ካብ ጢሮስ ናብ ጵቶልማዮስ በጻሕና፡ ነቶም ኣሕዋት ሰላም ኢልና ኸኣ፡ ምሳታቶም ሓንቲ መዓልቲ ወዓልና። 8ንጽብሒቱ ኻብኣ ወጺእና ናብ ቂሳርያ መጻእና፡ ኣብ ቤት ፊልጶስ ወንጌላዊ፡ ካብቶም ሾብዓተስ ሓደ ዝነበረ፡ ኣቲና ኣብኣ ቐኔና። 9ንሱ ትንቢት ዝንበያ ኣርባዕተ ደናግል ኣዋልዱ ነበራኦ። 10ሓያሎ መዓልቲ ምስ ገበርና፡ ኣጋቦስ ዝስሙ ነብዪ ኻብ ይሁዳ ወረደ። 11ናባና መጺኡ ኸኣ፡ ቅናት ጳውሎስ ወሲዱ፡ ኣእዳዉን ኣእጋሩን ብእኡ ተኣሰረ እሞ፡ ንዋና እዛ ቕናት እዚኣ ኣይሁድ ኣብ የሩሳሌም ከምዚ ገይሮም ኣሲሮም ናብ ኢድ ኣህዛብ ኣሕሊፎም ክህብዎ እዮም፡ ይብል መንፈስ ቅዱስ፡ በለ። 12እዚ ምስ ሰማዕና፡ ንሕናን እቶም ደቂ እታ ዓድን ናብ የሩሳሌም ከይድይብ ንጳውሎስ ለመንናዮ። 13ሽዑ ጳውሎስ፡ ኣቱም እትበኽዩን ንልበይ እትሰብሩን፡ እንታይ ትገብሩ ኣሎኹም፧ ኣነ ምእንቲ ስም ጐይታና የሱስ ኣብ የሩሳሌም ንሙማት ድማ እምበር፡ ንማእሰርቲ ጥራይ እኳ ኣይኰንኩን ተዳልየ ዘሎኹ፡ ኢሉ መለሰሎም። 14ምስማዕ ምስ ኣበየና ኸኣ፡ ፍቓድ ጐይታ ይኹን፡ ኢልና ሃዳእና። 15ድሕርዚ ቕነዚ ተዳሊና ናብ የሩሳሌም ደየብና። 16ሓያሎ ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ ካብ ቂሳርያ ምሳና መጹ፡ ናብ ምናሶን፡ ብዓል ቆጵሮስ ናይ ቀደም ወደ መዝሙር፡ ክንኣቱውን መርሑና። 17ናብ የሩሳሌም ምስ መጻእና ኸኣ፡ እቶም ኣሕዋት ብሓጐስ ተቐበሉና። 18ንጽብሒቱ ጳውሎስ ምሳና ናብ ያእቆብ በጽሐ፡ ኲላቶም እቶም ሽማግሌታት ከኣ ኣብኡ ተኣከቡ። 19ሰላም ምስ በሎም ከኣ፡ በገልግሎቱስ ኣምላኽ ኣብ ኣህዛብ ዝገበሮ በብሓደ ተር ኣቢሉ ነገሮም። 20እዚ ምስ ሰምዑ፡ ንኣምላኽ ኣመስጊኖም በልዎ፡ ዎ ሓውና፡ ካብ ኣይሁድ ክንደይ ኣእላፋት ከም ዝኣመኑ ትርኢ ኣሎኻ፡ ኲላቶም ከኣ ብዛዕባ ሕጊ ቕንኣት ኣለዎም። 21ኣብ ማእከል ኣህዛብ ንዘለዉ ዂላቶም ኣይሁድ ከኣ ካብ ሙሴ ኽርሕቁ ደቆም ከይግዘሩ ብስርዓቶምውን ከይነብሩ ኢልካ ኸም እትምህር፡ ሰሚዖምልካ ኣለው። 22ምምጻእካ ሰሚዖም ዂላቶም ከይተኣከቡ ኣይተርፉን እዮም፡ እሞኸ እንታይ ይገበር፧ 23እምብኣርከ እዚ እንብለካ ግበር፡ መብጽዓ ዘለዎም ኣርባዕተ ሰብኣይ ኣለዉና፡ 24ተማልኣዮም እሞ ምሳታቶም ንጻህ፡ ርእሶም ክላጸዩውን ኣብ ክንድኦም ዕደየሎም። ሽዑ ንስኻ ባዕልኻ እኳ ሕጊ እናሓሎኻ ኸም እትመላለስን እዚ ብዛዕባኻ ዝሰምዕዎ ዘበለ ኸንቱ ምዃኑን ኲላቶም ክፈልጡ እዮም። 25ብዛዕባ እቶም ዝኣመኑ ኣህዛብ ግና ተማኺርና፡ ንጣኦታት እተሓርደን ንደምን ንሕኑቕን ንዝሙትን ክሓርሙ ኣዚዝናዮም ኣሎና። 26ሽዑ ጳውሎስ ነቶም ሰባት ሒዙ ንጽብሒቱ ምሳታቶም ምስ ነጽሀ፡ ነፍሲ ወከፎም መስዋእቲ ምእንቲ ከቕርቡ፡ መዓልቲ ምንጽሆም ከም ዝመልአ ኽነግር ናብ ቤት መቕደስ ኣተወ። 27እተን ሾብዓተ መዓልቲ ኽውድኣ ምስ ቀረባ ኸኣ፡ ካብ እስያ ዝመጹ ኣይሁድ ኣብ ቤተ መቕደስ ምስ ረኣይዎ፡ ንዂሉ እቲ ህዝቢ ኣናዒቦም፡ ኣእዳዎም ዘርጊሖም ሓዝዎ እሞ፡ 28ኣቱም ሰብ እስራኤል፡ ንዑ ደግፉና፡ እቲ ኣብ ፍቕዳ ሃገር ምስ እዚ ህዝቢ እዝን ምስ እዚ ሕጊ እዝን ምስ እዛ ስፍራ እዚኣን ዘይላገብ ንዂሉ ሰብ ዝምህር ሰብኣይ እዚ እዩ፡ ኣብ ርእሲ እዚ ድማ ጽርኣውያን ናብዛ መቕደስ እዚኣ ኣእትዩ፡ ነዛ ቅድስቲ ስፍራ ኣርኪስዋ፡ ኢሎም ጨደሩ። 29ቅድም ንጥራፊሞስ ብዓል ኤፌሶን ምስኡ ኣብ ከተማ ርእዮምዎ ነበሩ እሞ፡ ጳውሎስ ኣብታ መቕደስ ዘእተዎ መሲልዎም ነበረ። 30ብዘላ እታ ኸተማ ከኣ ኣዕገርገረት፡ ህዝቢ ድማ ተኣከበ፡ ንጳውሎስ ሒዞም ካብ መቕደስ ንወጻኢ ሰሓብዎ፡ ብኡብኡውን ነቲ መዓጹ ሸጐርዎ። 31ክቐትልዎ ምስ ደለዩ ድማ፡ የሩሳሌም ብዘላ ኸም እተነዓበት፡ ኣብቲ ሓለቓ ሽሕ ወረ በጽሐ። 32ሽዑ ጭፍራ ምስ ሓላቑኦም ሒዙ ናባታቶም ጐየየ፡ ነቲ ሓለቓ ሽሕን ጭፍራኡን ምስ ረኣዩ ኸኣ፡ ንጳውሎስ ምዝባጡ ሓደጉ። 33ድሕርዚ እቲ ሓለቓ ሽሕ ቀሪቡ ኣትሓዞ፡ ብኽልተ መቕሕ ክኣስርዎ ኸኣ ኣዘዘ፡ መን ምዃኑን እንታይ ከም ዝገበረንውን ሓተተ። 34እቶም ህዝቢ ዓው ኢሎም፡ ገሊኦም ከምዚ ገሊኦምውን ከምቲ ይብሉ ነበሩ። ብምኽንያት እቲ ጭራሕ ምራሕ ርግጹ ምፍላጥ ምስ ሰኣነ ኸኣ፡ ናብ ሰፈር ከብጽሕዎ ኣዘዘ። 35-36ብዙሕ ህዝቢ ኸኣ፡ ንየው በሎ፡ ኢሉ እናጨደረ ይስዕብ ነበረ እሞ፡ ኣብቲ መደያይቦ ምስ በጽሐ። እቲ እኩብ ህዝቢ ምእንቲ ኸይሃስዮ ኢሎም፡ እቶም ጭፍራ ተሰከምዎ። 37ናብ ሰፈር ከእትውዎ ምስ ደለዩ ድማ፡ ጳውሎስ ነቲ ሓለቓ ሽሕ፡ ክዛረበካዶ ትፈቕደለይ ኢኻ፧ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ዘረባ ጽርኢዶ ትፈልጥ ኢኻ፧ 38ቅድሚ እዚ ወርሒ እዚ ኣናዒብካስ፡ ኣርባዕተ ሽሕ ቀተልቲ ነፍሲ ናብ በረኻ ዘውጻእካ ግብጻዊዶ ንስኻ ኣይኰንካን፧ በሎ። 39ጳውሎስ ግና፡ ኣነስ ኣይሁዳዊ ሰብኣይ፡ ብዓል ጠርሴስ ናይ ቂልቅያ፡ ወዲ እታ ስምይቲ ኸተማ እየ፡ ንህዝቢ ኽዛረብ ክትፈቕደለይ፡ እልምነካ ኣሎኹ፡ በለ። 40ሽዑ ጳውሎስ፡ ምስ ተፈቕደሉ፡ ኣብቲ መደያይቦ ደው ኢሉ ነቶም ህዝቢ ብኢዱ ኣመልከቶም፡ ጸጥ ምስ በሉ ኸኣ፡ ብቛንቋ እብራይስጢ ተዛረቦም፡ ከምዚ ኢሉ፡
ግ.ሃዋ. ምዕራፍ 22
1ኣቱም ኣቦታተይን ኣሕዋተይን፡ እዚ ሕጂ ኣባኻትኩም ዝመጻረየሉ ነገር ስምዑኒ። 2ብቛንቋ እብራይስጢ ኽዛረብ ምስ ሰምዕዎ፡ ኣዝዮም ጸጥ በሉ። ንሱ ኸኣ በለ፡ 3ኣነስ ኣብ ጠርሴስ ናይ ቂልቅያ እተወለድኩ ኣይሁዳዊ ሰብኣይ እየ። ሕጊ ኣቦታት ኣጸቢቐ እናተመሃርኩ ኸኣ፡ ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ኣብ ትሕቲ እግሪ ገማልኤል እየ ዝዓበኹ። ከምዚ ዂላትኩም ሎም ዘሎኹምዎ ኸኣ፡ ብናይ ኣምላኽ ቀናእ ኰንኩ። 4ሰብኡትን ኣንስትን ኣኣሲረ፡ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣሕሊፈ እናሃብኩ፡ ነዛ መገዲ እዚኣ ኽሳዕ ሞት ሰጎግኩዋ። 5ምእንቲ ክቕጽዑ ኸኣ ንኣታቶም ኣኣሲረ ናብ የሩሳሌም ከምጽኦም፡ እቲ ሊቀ ኻህናትን ኲላቶም ዓበይቲ፡ ካባታቶም ነሕዋት ደብዳቤታት ተቐቢለ፡ ናብ ደማስቆ ምኻደይ ይምስክሩለይ እዮም። 6ኰነ ድማ፡ ክኸይድ ከሎኹ፡ ናብ ደማስቆ ምስ ቀረብኩ፡ ኣጋ ቐትሪ ብድንገት ካብ ሰማይ ዓብዪ ብርሃን ኣብርሃለይ። 7ኣብ ምድሪ ኸኣ ወደቕኩ፡ ሳውል፡ ሳውል፡ ንምንታይ እትሰጐኒ፧ ዝብለኒ ድምጺውን ሰማዕኩ። 8ኣነ ድማ፡ ጐይታይ፡ ንስኻ መን ኢኻ፧ ኢለ መለስኩሉ። ንሱውን ኣነ እቲ ንስኻ እትሰጎ ዘሎኻ የሱስ ናዝሬታዊ እየ፡ በለኒ። 9እቶም ምሳይ ዝነበሩ ነቲ ብርሃን ረኣይዎ፡ ናይቲ ዝዛረበኒ ዝነበረ ድምጺ ግና ኣይሰምዑን። 10ሽዑ ኸኣ፡ ጐይታይ፡ እንታይ እግበር፧ በልክዎ። ጐይታ ድማ፡ ተንሲእካ ናብ ደማስቆ እቶ፡ እቲ ኽትገብሮ እተሰርዓልካ ዘበለ ኸኣ ኣብኣ ኽነግሩኻ እዮም፡ በለኒ። 11ብምንጽብራቕ እቲ ብርሃን ምርኣይ እንተ ሰኣንኩ ድማ፡ እቶም ምሳይ ዝነበሩ መሪሖም ናብ ደማስቆ ኣእተዉኒ። 12ሃናንያ ዝብሃል፡ ከም ሕጊ ገይሩ ንእግዚኣብሄር ዝፈርህ፡ ኣብኣ ዝነብሩ ዂላቶም ኣይሁድ ጽቡቕ ምስክር ዝመስከሩሉ ሰብኣይ፡ 13ናባይ መጺኡ ኣብ ጥቓይ ደው ኢሉ፡ ሳውል ሓወይ፡ ርኤ፡ በለኒ። ኣነ ድማ ብኡብኡ ርኤኹ እሞ ጠመትክዎ። 14-15ንሱ ኸኣ፡ ኣምላኽ ኣቦታትና ብዝርኤኻዮን ብዝሰማዕካዮን ኣብ ኲሉ ሰብ ምስክር ምእንቲ ኽትኰኖን፡ ፍቓዱ ኽትፈልጥን ነቲ ጻድቕ ከኣ ክትርእዮን ካብ ኣፉውን ቃል ክትሰምዕ ቅድም ሓረየካ። 16ሕጂኸ ንምንታይ እትድንጒ፡ ተንሲእካ ተጠመቕ፡ ስም ጐይታ ጸዊዕካ ኻብ ሓጢኣትካ ተሓጸብ፡ በለኒ። 17ኰነ ድማ፡ ናብ የሩሳሌም ተመሊሰ፡ ኣብ መቕደስ ኰይነ ኽጽሊ ኸሎኹ፡ ተመሰጥኩ እሞ፡ 18ነቲ ብዛዕባይ እትምስክሮ ኣይቅበሉኻን እዮም፡ ስለዚ ኻብ የሩሳሌም ቀልጢፍካ ውጻእ፡ ክብለኒ ኸሎ ርኤኽዎ። 19ኣነ ኸኣ፡ ጐይታይ፡ ኣነ ነቶም ብኣኻ ዝኣምኑ እኣስሮምን ኣብ ቤት ጸሎት እወቕዖምን ከም ዝነበርኩ፡ ባዕላቶም ይፈልጡ እዮም። 20ደም እስጢፋኖስ ምስክርካ ከፍስሱ ኸለዉ ድማ፡ ባዕለይ ምሳታቶም ሰሚረ ኣብኡ ደው ኢለ ነይረ፡ ክዳውንቲ እቶም ዝቐተልዎውን ሓሎኹ፡ በልክዎ። 21ንሱ ኸኣ፡ ኣነ ንርሑቕ ናብ ኣህዛብ እልእከካ ኣሎኹ እሞ፡ ኪድ፡ በለኒ። 22ክሳዕ እዚ ቓልዚ ሰምዕዎ። ድሕሪኡ ግና ድምጾም ዓው ኣቢሎም፡ ከምዚ ዝበለ ሰብ ብህይወት ክነብር ኣይግብኦን እዩ እሞ፡ ካብ ምድሪ ይርሓቕ፡ በሉ። 23ንሳቶም እናጨደሩ ኽዳውንቶም እናደርበዩ፡ ሓመድ ንላዕሊ እንተ በተኑ፡ 24እቲ ሓለቓ ሽሕ፡ ነቲ ዝጭድሩሉ ዘለዉ ምኽንያቱ ምእንቲ ኽፈልጥሲ፡ ብመግረፍቲ ኽምርመር ናብ ሰፈር ከእትውዎ ኣዘዘ። 25ክገርፍዎ በጥ ምስ ኣበልዎ ኸኣ፡ ጳውሎስ ነቲ ደው ኢሉ ዘሎ ሓለቓ ሚእቲ፡ ንሮማዊ ሰብ ብዘይ ፍርዲ ኽትገርፍዶ ተፈቒዱልኩም እዩ፧ በሎ። 26እቲ ሓለቓ ሚእቲ እዚ ምስ ሰምዐ፡ ከይዱ ነቲ ሓለቓ ሽሕ፡ እዚ ሰብኣይ ሮማዊ እዩ እሞ፡ እቲ እትገብሮ ዘሎኻ ፍለጥ፡ ኢሉ ነገሮ። 27እቲ ሓለቓ ሽሕ ከኣ መጺኡ፡ ኣታ፡ ሮማዊ ዲኻ፧ እስኪ ንገረኒ፡ በሎ። ንሱ ድማ፡ እወ፡ በለ። 28እቲ ሓለቓ ሽሕ ከኣ፡ ኣነ ንርእሰይ ሮማዊ ንምዃን ብዙሕ ገንዘብ ሂበ ኣሎኹ፡ ኢሉ መለሰሉ። ጳውሎስ ከኣ፡ ኣነስ እባ ተወሊደሉ እየ፡ በሎ። 29እቶም ክምርምርዎ ኢሎም ዝነበሩ ቐልጢፎም ካብኡ ኣግለሱ። እቲ ሓለቓ ሽሕ ድማ ሮማዊ ምዃኑ ምስ ፈለጠ፡ ስለ ዝኣሰሮ ፈርሀ። 30ኣይሁድ ብዛዕባ እንታይ ከም ዝኸሰስዎ ርግጽ ነገር ክፈልጥ ደልዩ ኸኣ፡ ንጽብሒቱ ፈትሖ፡ ንሊቃውንቲ ኻህናትን ንብዘሎ እቲ ዋዕላን ከኣ ክእከቡ ኣዘዞም፡ ንጳውሎስ ድማ ኣውሪዱ ኣብ ቅድሚኦም ኣቘሞ።
ግ.ሃዋ. ምዕራፍ 23
1ሽዑ ጳውሎስ ነቶም ዋዕላ ጠሚቱ፡ ኣቱም ኣሕዋተይ፡ ኣነ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብዂሉ ብሰናይ ሕሊና እየ እተመላለስኩ፡ በሎም። 2ሃናንያ፡ እቲ ሊቀ ኻህናት፡ ግና ነቶም ኣብ ጥቓኡ ደው ኢሎም ዘለዉ ኣፉ ኽዘብጥዎ ኣዘዞም። 3ጳውሎስ ከኣ ንእኡ፡ ኣታ ልቕሉቕ ጊድግዳ፡ ኣምላኽ ክዘብጠካ እዩ። ንስኻ ኸምቲ ሕጊ ጌርካ ኽትፈርደኒ ተቐሚጥካ ኣሎኻ፡ እሞኸ ሕጊ ኣፍሪስካዶ ኽዘብጡኒ ትእዝዝ ኣሎኻ፧ በሎ። 4እቶም ኣብ ጥቓኡ ደው ኢሎም ዘለዉ ኸኣ፡ ንሊቀ ኻህናት ኣምላኽዶ ትጸርፎ ኣሎኻ፧ በልዎ። 5ጳውሎስ ድማ፡ ኣሕዋተይ፡ ንሹም ህዝብኻ ኣይትጽረፍ፡ ተጽሒፉ ኣሎ እሞ፡ ሊቀ ኻህናት ምዃኑ ኣይፈለጥኩን፡ በሎም። 6ጳውሎስ ከኣ ገሊኦም ሰዱቃውያን ገሊኦምውን ፈሪሳውያን ምዃኖም ምስ ፈለጠ፡ ኣብቲ ዋዕላ ዓው ኢሉ፡ ኣቱም ኣሕዋተይ፡ ኣነ ፈሪሳዊ፡ ወዲ ፈሪሳዊ እየ። ብዛዕባ ተስፋን ትንሳኤ ምዉታትን ይፍረደኒ ኣሎ፡ በለ። 7-8ሰዱቃውያን፡ ትንሳኤ ዀነ መልኣኽ ኰነ መንፍስ ኰነ የልቦን፡ ይብሉ፡ ፈሪሳውያን ግና ነዚ ዂሉ ይኣምኑ ነበሩ እሞ፡ እዚ ምስ ተዛረበ፡ ኣብ መንጎ ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ባእሲ ዀነ፡ እቲ ኣኼባውን ተኻፋፈለ። 9ብዙሕ ጫውጫው ድማ ኰነ፡ ካብ ወገን ፈሪሳውያን ከኣ ሓያሎ ጸሓፍቲ፡ ኣብዚ ሰብኣይዚ ገለ ኽፉእ እኳ ኣይረኸብናን። መንፈስ ወይስ መልኣኽ ተዛሪብዎ እንተ ዀነኸ፡ ከመይ ደኣ ይኹን፧ ኢሎም ተንሲኦም ተኻራኸሩ። 10ብዙሕ ባእሲ ምስ ኰነ፡ እቲ ሓለቓ ሽሕ፡ ንሳቶም ንጳውሎስ ከይምንዝዕዎ ፈሪሁ፡ ነቶም ጭፍራ ወሪዶም ካብ ማእከሎም ዘሪፎም ናብ ሰፈር ከብጽሕዎ ኣዘዞም። 11ጐይታ ኸኣ በታ ድሕሪኣ ዘላ ለይቲ፡ ጳውሎስ፡ ከምቲ ኣብ የሩሳሌም ብዛዕባይ ዝመስከርካዮ ኸምኡውን ኣብ ሮሜ ኽትምስክረለይ ይግብኣካ እዩ እሞ፡ ኣጆኻ፡ ኢሉ ኣብ ቅድሚኡ ደው በለ። 12ምድሪ ምስ ወግሐ ኸኣ፡ ኣይሁድ ንጳውሎስ ክሳዕ ዝቐትልዎ ኸይበልዑን ከይሰትዩን ሰሚሮም ተማሓሓሉ። 13እቶም ነዚ ኽገብሩ እተማሓሓሉ ኸኣ ካብ ኣርብዓ ይበዝሑ ነበሩ። 14ንሳቶም ከኣ ናብ ሊቃውንቲ ኻህናት ናብ ዓበይትን መጺኦም፡ ንሕና ንጳውሎስ ከይቀተልናዮ ገለ እኳ ኸይንጥዕም፡ ብመርገም ተማሓሒልና ኣሎና። 15ሕጂ ኸኣ ንስኻትኩም ምስ ዋዕላ ዄንኩም ነቲ ሓለቓ ሽሕ ናባኻትኩም ከውጽኦ ብዛዕባኡ ኣጸቢቕኩም ክትምርምሩ ኸምዝደሌኹም ጌርኩም ንገርዎ፡ ንሕና ኸኣ ኣባኻትኩም ከይበጽሐ ኽንቀትሎ ተዓጢቕና ኣሎና፡ በልዎም። 16ወዲ ሓብቱ ንጳውሎስ ከኣ ነዚ ውዲቶም ሰሚዑ ኸደ እሞ ናብቲ ሰፈር ኣትዩ ንጳውሎስ ነገሮ። 17ጳውሎስ ድማ ካብቶም ሓላቑ ሚእቲ ንሓደ ጸዊዑ፡ እዚ ወድዚ ንሓለቓ ሽሕ ዝነግሮ ዘረባ ኣለዎ እሞ፡ ናብኡ ዀታ ኣእትወለይ፡ በሎ። 18ንሱ ኸኣ ሒዙ ምስኡ ወሲዱ ናብቲ ሓለቓ ሽሕ ኣእተዎ እሞ፡ ጳውሎስ፡ እቲ እሱር፡ ናብኡ ጸዊዑ እዚ ወድዚ ዝነግረካ ዘረባ ኣልይዎስ፡ ናባኻ ክኣትወሉ ለሚኑኒ፡ በሎ። 19እቲ ሓለቓ ሽሕ ከኣ ብኢዱ ሒዙ ወሰዶ፡ ንበይኑ ኣግሊሱ ድማ፡ እቲ ኽትነግረኒ እትደልዮ እንታይ እዩ፧ ኢሉ ሓተቶ። 20ንሱ ኸኣ፡ ኣይሁድ ንጳውሎስ፡ ብዛዕባኡ ኣጸቢቕካ ኽትሓቶ ኸም ዝደሌኻ መሲልካ፡ ጽባሕ ናብ ዋዕላ ኽተውርደሎም ክልምኑኻ ተማኺሮም ኣለዉ። 21ካባታቶም ካብ ኣርብዓ ሰብኣይ ዝበዝሑ ኣድብዮምሉ ኣለዉ፡ ንእኡ ኽሳዕ ዝቐትልዎ ኸይበልዑን ከይሰትዩን ከኣ፡ ብርእሶም ምሒሎም ኣለዉ እሞ ሕጂ ተዓጢቖም ካባኻ ተስፋ ይጽበዩ ኣለዉ፡ ንስኻ ግና ሕራይ ኣይትበሎም፡ ኢሉ መለሰሉ። 22ድሕርዚ እቲ ሓለቓ ሽሕ ነቲ ወዲ፡ እዚ ንኣይ ከም ዘፍለጥካኒ ንሓደ እኳ ኣይትንገር፡ ኢሉ ኣዘዞ እሞ ሰደዶ። 23ንኽልተ ሓላቑ ሚእቲ ጸዊዑ ኸኣ፡ ክሳዕ ቂሳርያ ክኸዱ፡ ክልተ ሚእቲ ዓቀይታይ፡ ሰብዓ ፈረሰኛ፡ ክልተ ሚእቲ ሰብ ኲናት ለይቲ ብሳልሰይቲ ሰዓት ኣዳልዉ፡ በሎም። 24ንጳውሎስ ምእንቲ ኸስርርዎ መጽዓኛ ኽማልኡ ብደሓኑውን ኣብ ፌሊክስ፡ ኣብቲ ራእሲ፡ ከብጽሕዎ ኣዘዘ። 25ከምዚ ኢሉ ኸኣ ደብዳበ ጸሓፈ፡ 26ቅላውዴዎስ ሊስያስ ንፌሊክስ፡ ነቲ ልኡል ራእሲ፡ ሰላም ይብሎ ኣሎ። 27ነዚ ሰብኣይዚ ኣይሁድ ሒዞም ክቐትልዎ ደልዮም ከለዉ፡ ሮማዊ ምዃኑ ምስ ፈለጥኩ፡ ኣነ ምስ ጭፍራ መጺአ ኣናገፍክዎ። 28እቲ ዝኸሱሉ ምኽንያት ክፈልጥ ደልየ ኸኣ፡ ናብ ዋዕላኦም ኣውረድክዎ። 29ሽዑ ስለ ኽርክር ሕጎም ከም ዝኸሰስዎ ረኸብኩ እምበር፡ ናብ ሞት ወይስ ናብ ማእሰርቲ ዘብጽሕ ክሲ ከቶ ኣይረኸብኩሉን። 30ኣብዚ ሰብኣይዚ ውዲት ከም ዝገበሩ ምስ ሰማዕኩ ኸኣ፡ ብቕልጡፍ ናባኻ ሰዲደዮ፡ ነቶም ከሰስቱውን ኣብ ቅድሜኻ ክኸስዎ ኣዚዘዮም ኣሎኹ። ደሓን ኩን። 31እቶም ዓቀይቲ ድማ፡ ከምቲ እተኣዘዝዎ፡ ንጳውሎስ ብለይቲ ወሲዶም፡ ኣብ ኣንቲጳጥሪስ ኣብጽሕዎ። 32ንጽብሒቱ ነቶም ፈረሰኛታት ምስኡ ይኺዱ ሓደግዎም፡ ንሳቶም ግና ናብ ሰፈር ተመልሱ። 33እቲኣቶም ኣብ ቂሳርያ ምስ ኣተዉ ኸኣ፡ እታ ደብዳበ ነቲ ራእሲ ሃብዎ። ንጳውሎስውን ኣብ ቅድሚኡ ደው ኣበልዎ። 34ነታ ደብዳበ ምስ ኣንበባ ድማ፡ ብዓል ኣየነይቲ ሃገር ምዃኑ ሓተቶ። ብዓል ቂልቅያ ምዃኑ ምስ ፈለጠ፡ 35ከሰስትኻ ምስ መጹ ሽዑ እሰምዓካ፡ በሎ። ኣብ ኣዳራሽ ሄሮድስ ኣእትዮም ክሕልውዎ ኸኣ ኣዘዘ።
ግ.ሃዋ. ምዕራፍ 24
1ድሕሪ ሓሙሽተ መዓልቲ ሃናንያ፡ እቲ ሊቀ ኻህናት፡ ምስ ሓያሎ ዓበይትን ጠርጠሎስ ምስ ዝብሃል ሓደ ኸኣል ዘረባን ወረደ። ንሳቶም ድማ ንጳውሎስ ኣብ ቅድሚ እቲ ራእሲ ኸሰስዎ። 2ንሱ ምስ ተጸውዐ ድማ፡ ጠርጠሎስ ከምዚ ኢሉ ክኸሶ ጀመረ፡ 3ዎ ልኡል ፌሊክስ፡ ብኣኻ ብዙሕ ሰላም ከም ዝረኸብና፡ ብምህዞኻ ድማ ነዚ ህዝቢዚ ብዙሕ ምሓሽ ከም ዝዀነሉ፡ ብዂሉ ኣብ ፍቕዳ ሃገር እናተኣመንና ነማስወካ ኣሎና። 4ኣዝየ ኸየንውሓልካ ግና፡ ብሓጺሩ ብለውሃት ክትሰምዓና እልምነካ ኣሎኹ። 5ንሕና ነዚ ሰብኣይዚ መራሒ ወገን ናዝሬታውያን ኰይኑ፡ ኣብ ብዓለሙ ንዘለዉ ዂላቶም ኣይሁድ ፌራን መነዓብን ኰይኑ ረኸብናዮ። 6ቤተ መቕደስ ከኣ ከርክስ ደልየ እሞ፡ ሓዝናዮ ኸም ሕግናውን ክንፈርዶ ደሌና። 7ግናኸ ሊሰያስ፡ እቲ ሓለቓ ሽሕ፡ መጺኡ ብብዙሕ ሓይሊ ኻብ ኢድና ወሰዶ። 8ንኸሰስቱ ድማ ናባኻ ኽሓልፉ ኣዘዘ። ብዛዕባዚ ንሕና እንኸሶ ዘሎና ዂሉ ኸኣ ባዕልኻ ንእኡ መርሚርካ ኸተስተውዕሎ ይከኣለካ እዩ። 9ኣይሁድውን ነቲ ኽሲ ሰሚሮም፡ እወ፡ እዚ ነገርዚ ኸምኡ እዩ፡ በሉ። 10እቲ ራእሲ ኽዛረብ ምስ ኣመልከቶ ኸኣ፡ ጳውሎስ መለሰ፡ ካብ ብዙሕ ዓመት ጀሚርካ ነዚ ህዝብዚ ፈራዲ ምዃንካ እፈልጥ እየ፡ ስለዚ ንርእሰይ ብትብዓት እመጻረየላ ኣሎኹ። 11ክሰግድ ኢለ ናብ የሩሳሌም ካብ ዝድይብ፡ ካብ ዓሰርተው ክልተ መዓልቲ ዝበዝሕ ከም ዘይገበርኩ፡ ክትፈልጦ ይከኣለካ እዩ። 12ኣብ ቤት መቕደስ ምስ ሓደ እኳ ኽዛረብ ወይስ ኣብ ህዝቢ ባእሲ ኸልዕል፡ ኣብ ኣባይቲ ጸሎት ኰነ ኣብ ከተማ ዀነ፡ ኣይረኸቡንን። 13ሕጂውን በዚ ዝኸሱኒ ዘለዉ ነገር ኣብ ብርክኻ ክረትዑሉ ኣይኽእሉን እዮም። 14ኣነ ግና ነቲ ኣብ ሕግን ነብያትን ተጽሒፉ ዘሎ ዂሉ እናኣመንኩ፡ በታ ንሳቶም መናፍቕነት ዝብልዋ ዘለዉ መገዲ ኸምኡ ገይረ ንኣምላኽ ኣቦታተይ ከም ዘምልኽ፡ እዚ እእመነልካ ኣሎኹ። 15ከምቲ ንሳቶም ንጻድቃንን ንሓጥኣንን ትንሳኤ ክኸውን ዝጽበይዎ፡ ከምኡውን ኣነ ኣብ ኣምላኽ ተስፋ ኣሎኒ። 16ስለዚ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን እንታ ዘይብሉ ሕሊና ኽህልወኒ፡ ኲሉ ግዜ እጽዕር ኣሎኹ። 17ድሕሪ ብዙሕ ዓመታት ከኣ ንህዝበይ ምጽዋት ከብጽሕን መስዋእቲ ከቕርብን መጻእኩ። 18ሽዑውን ካብ እስያ ዝመጹ ሓያሎ ኣይሁድ ብዘይ ኣኼባ ህዝብን ብዘይ ምንዓብን ኣብ ቤተ መቕደስ ነጺሀ ረኸቡኒ። 19ንሳቶም ኣባይ ገለ እንተ ዝህልዎምሲ፡ ናባኻ መጺኦም ክኸሱኒ ምተገብአ ነይሩ። 20-21ወይስ ኣብ ቅድሚ ዋዕላ ቘይመ ኸሎኹ፡ ብዘይ እዛ ኣብ ማእከልኩም ብደወይ ዓው ኢለ፡ ሎሚ ኣነ ብዛዕባ ትንሳኤ ምዉታት ኣብ ቅድሜኹም እፍረድ ኣሎኹ፡ ዝበልክዋ ሓንቲ ዘረባ እንተ ዘይኰይናስ፡ ገለ በደል ረኺቦምለይ እንተ ዀይኖም፡ እዚኣቶም ይንገሩ። 22ፌሊክስ እዚ ምስ ሰምዐ፡ ናይዛ መገዲ እዚኣ ኣጸቢቑ ስለ ዝፈለጠ፡ ሊስያስ፡ እቲ ሓለቓ ሽሕ፡ ምስ ወረደ፡ ሽዑ ነገርኩም ኣጸቢቐ ኽምርምር እየ፡ ኢሉ እቲ ነገሮም ይጽናሕ ሓደጎ። 23ነቲ ሓለቓ ሚእቲ ድማ ንጳውሎስ ክሕልዎ ማእሰርቲ ኸቕልለሉ፡ ካብ ሰቡ ኸገልግሎ እንተ ደለየውን፡ ንሓደ እኳ ኸይክልክል ኣዘዞ። 24ድሕሪ ሓያሎ መዓልቲ ኸኣ ፌሊክስ ምስታ ኣይሁዳዊት ድሩሲላ ሰበይቱ መጺኡ ንጳውሎስ ልኢኹ ጸዊዑ፡ ብዛዕባ እምነት ብክርስቶስ የሱስ ካብኡ ሰምዐ። 25ብናይ ጽድቅን ንጽህናን ብናይቲ ዝመጽእ ፍርድን ምስ ነገሮ ግና፡ ፌሊክስ ሰምቢዱ፡ ሕጅስ መገድኻ ኺድ፡ ብዝምችወኒ ግዜ ኽትመጸኒ ኽልእከልካ እየ፡ ኢሉ መለሰሉ። 26ምስናይዚ ድማ ካብ ጳውሎስ ገንዘብ ክረክብ ተስፋ ይገብር ነበረ፡ ስለዚ ብዙሕ ግዜ ለልኢኹ እናምጽአ ይዛረቦ ነበረ። 27ክልተ ዓመት ምስ ሓለፈ፡ ጶርቅዮስ ፌስጦስ ኣብ ክንዲ ፌሊክስ ተሸመ። ፌሊክስ ከኣ ንኣይሁድ ባህ ከብል ደልዩ ንጳውሎስ ብእሱሩ ሓደጎ።
ግ.ሃዋ. ምዕራፍ 25
1ፌስጦስ ነታ ሽመት ምስ ሓዛ፡ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ኻብ ቂሳርያ ናብ የሩሳሌም ደየበ። 2ሊቃውንቲ ኻህናትን ሹማት ኣይሁድን ከኣ ንጳውሎስ ነገር ኣልዓሉሉ። 3ኣብ መገዲ ኣድብዮም ክቐትልዎ ደልዮም፡ ናብ የሩሳሌም ከደይበሎም ሞገስ ለመንዎ። 4ፌስጦስ ከኣ፡ ጳውሎስ ኣብ ቂሳርያ ይሕሎ ኸም ዘሎ፡ ንሱ ድማ ቀልጢፉ ናብኣ ንምውራድ ከም፡ ዝሓሰበ፡ መለሰሎም፡ 5እምብኣርሲ ኻባታትኩም እቶም ከኣልቲ ዘለዉ ምሳይ ይውረዱ እሞ ኣብቲ ሰብኣይ እቲ በደል እንተሎ፡ ይኽሰስዎ፡ በሎም። 6ምሳታቶም ኣስታት ሾሞንተ ወይስ ዓሰርተ መዓልቲ ምስ ገበረ ኸኣ፡ ናብ ቂሳርያ ወረደ። ንጽብሒቱውን ኣብ መንበር ፍርዲ ተቐሚጡ፡ ንጳውሎስ ከምጽእዎ ኣዘዘ። 7ጳውሎስ ምስ መጸ ኸኣ፡ እቶም ካብ የሩሳሌም ዝወረዱ ኣይሁድ ከቢቦምዎ ደው በሉ፡ ክረትዑሉ ዘይክእሉ ብዙሕን ከቢድን ክሲ ኸኣ ከሰስዎ። 8ጳውሎስ ድማ፡ ኣነ ንሕጊ ኣይሁድ ኰነ ንቤተ መቕደስ ወይስ ንቄሳር ኰነ ኣይበደልኩን፡ ኢሉ ተመጻረየ። 9ፌስጦስ ከኣ ንኣይሁድ ባህ ከብል ደልዩስ ንጳውሎስ፡ ናብ የሩሳሌም ክትድይብ እሞ በዚ ነገርዚ ኣብኣ ኣብ ቅድመይ ክትፍረድዶ ትፈቱ ኢኻ፧ ኢሉ መለሰሉ። 10ጳውሎስ ግና፡ ኣነ ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ እቐውም ኣሎኹ፡ ኣብኡ ኽፍረድ እየ ዝግብኣኒ፡ ንስኻ ኣጸቢቕካ ኸም እትፈልጥ ከኣ፡ ንኣይሁድ ኣይበደልክዎምን፡ 11ዓሚጸ ናብ ሞት ዘብጽሕ ገይረ እንተ ዀይነ ግና፡ ከይመውት እኳ ኣይልምንን እየ። እዚ ዝኸሱኒ ብኸምኡ እንተ ዀይኑኸ፡ ንኣታቶም ኣሕሊፉ ኽህበኒ ዝኽእል ከቶ የልቦን። ኣነ፡ ናብ ቄሳር ይግባኝ፡ ኢለ ኣሎኹ፡ በለ። 12ሽዑ ፌስጦስ ምስቶም ኣማኸርቲ ተዛሪቡ፡ ናብ ቄሳር ይግባኝ፡ ካብ በልካስ፡ ናብ ቄሳር ክትከይድ ኢኻ፡ ኢሉ መለሰሉ። 13ሓያሎ መዓልቲ ምስ ሓለፈ ኸኣ፡ ንጉስ ኣግሪጳን በርኒቄን ንፌስጦስ ክበጽሕዎ፡ ናብ ቂሳርያ ወረዱ። 14ኣብኣ ብዙሕ መዓልቲ ምስ ገበሩ ኸኣ፡ ፌስጦስ ነቲ ንጉስ ናይ ጳውሎስ ነገር ከምዚ ኢሉ ኣዘንተወሉ፡ ፌሊክስ ብእሱሩ ዝሓደጎ ሰብኣይ ኣብዚ ኣሎ፡ 15ናብ የሩሳሌም ከይደ ኸሎኹ ኸኣ፡ ሊቃውንቲ ኻህናት ኣይሁድን ዓበይቶምን መጺኦም ንእኡ ኽፈርዶ ለመኑኒ። 16ንተኸሳሲ ምስ ከሰስቱ ገጽ ንገጽ ደው ከየበልካዮ፡ በቲ ዝኸሰስዎ ኽመጻረ ግዜ ኸይሃብካዮ፡ ተቓዳዲምካ ንሓደ እኳ ኣሕሊፍካ ምሃብ ስርዓት ሮማውያን ከም ዘይኰነ ድማ፡ መለስኩሎም። 17እምብኣርስኸ ኣብዚ ምስ ተኣከቡ፡ ከየደናጔኹ ንጽብሒቱ ኣብ መንበር ፍርዲ ተቐሚጠ፡ ነቲ ሰብኣይ ከምጽእዎ ኣዘዝኩ። 18-19እቶም ከሰስቱ ደው ምስ በሉ ግና፡ ብጀካ ብናይ ኣምልኾኦም ዝዀነ ነገር ባእሲ ብዛዕባ ሓደ ምዉት፡ ጳውሎስ ግና ህያው እዩ ዝብሎ የሱስ እንተ ዘይኰይኑ፡ ንኣይ ከም ዝመሰለንስ፡ ገለ ኽፉእ ክሲ እኳ ኣየምጽኡሉን። 20ኣነ ኸኣ፡ በዚ ነገርዚ ዝገብሮ እንተ ጨነቐኒ፡ ናብ የሩሳሌም ክትድይብ እትፈቱ እንተ ዄንካ፡ በዚ ነገርዚ ኣብኣ ኽትፍረድ፡ በልክዎ። 21ጳውሎስ ግና፡ ኣብ ቄሳር ክሳዕ ዝምርመር ምእንቲ ኽሕሎ፡ ይግባኝ፡ ምስ በለ፡ ናብ ቄሳር ክሳዕ ዝሰዶ ኽሕሎ ኣዘዝኩ። 22ኣግሪጳ ኸኣ ንፌስጦስ፡ ነዚ ሰብኣይ እዝስ ኣነውን ክሰምዖ ምፈቶኹ፡ በሎ። ንሱ ድማ፡ ጽባሕ ትሰምዖ፡ በሎ። 23ንጽብሒቱ ድማ ኣግሪጳን በርኒቄን ምስቶም ሓላቑ ሽሕን ዓበይቲ ኸተማን ብብዙሕ ግርማ ናብ ኣዳራሽ ፍርዲ ኣተዉ። ፌስጦስ ከኣ ንጳውሎስ ከምጽእዎ ኣዘዘ። 24ፌስጦስ ድማ በለ፡ ዎ ንጉስ ኣግሪጳ፡ ኣቱም ምሳና ዘሎኹም ኲላትኩም ሰብ፡ እዚ እትርእይዎ ዘሎኹም ስብኣይ ደጊም ንሱ ብህይወት ክነብር ከም ዘይግብኦ፡ ኲላቶም ኣይሁድ፡ ኣብ የሩሳሌም ኰነ ኣብዚ ዀነ፡ እናጠርዑ ለመኑኒ። 25ኣነ ግና ከቶ ኣብ ሞት ዘብጽሕ ነገር ኣይረኸብኩሉን። ባዕሉ፡ ናብ ቄሳር ይግባኝ፡ ምስ በለ ኸኣ፡ ንምስዳዱ ቘሪጸ ኣሎኹ። 26ብዛዕባኡ ናብ ጐይታይ ዝጽሕፎ ፍሉጥ ነገር ግና የብለይን። ስለዚ ንሱ ምስ ተመርመረ ዝጽሕፎ ነገር ምእንቲ ኽረክብሲ፡ ናባኻትኩም፡ ምናዳ ኸኣ፡ ዎ ንጉስ ኣግሪጳ፡ ናባኻ ኣምጺአዮ ኣሎኹ። 27ማለት፡ ምኽንያት ማእሰርቱ ኸይነገርኩ፡ ንእሱር ሰብ ምስዳደይ ዕሽነት ኰይኑ ይረኣየኒ ኣሎ።
ግ.ሃዋ. ምዕራፍ 26
1ኣግሪጳ ኸኣ ንጳውሎስ፡ ብናይ ርእስኻ ኽትዛረብ ተፈቒዱልካ ኣሎ፡ በሎ። ሽዑ ጳውሎስ ኢዱ ዘርጊሑ ንርእሱ ኽመጻረየላ መለሰ፡ 2-3ዎ ንጉስ ኣግሪጳ፡ ኲሉ ስርዓት ኣይሁድን ክርክሮምን ትፈልጥ ኢኻ እሞ፡ ሎሚ ምናዳ ኣብ ቅድሜኻ ብኣይሁድ እኽሰሰሉ ብዘሎኹ ዘበለ ነገር ክመጻረ ስለ እተፈቕደለይ፡ ነዛ ርእሰይ እተመስገነት ገይረ እርእያ ኣሎኹ። ስለዚ ኸኣ ብትዕግስቲ ኽትሰምዓኒ እልምነካ ኣሎኹ። 4እምብኣርስኸ ካብ ንእስነተይ ጀሚረ ኣብ ማእከል ህዝበይ ኣብ የሩሳሌም ዝነበርክዎ ንብረተይ ኲላቶም ኣይሁድ ይፈልጥዎ እዮም። 5ክምስክሩ እንተ ደለዩስ፡ ከምቲ ኻብ ኲሉ ዝጥንቀቕ ወገን ኣምልኾና ፈሪሳዊ ኸም ዝነበርኩ፡ ንሳቶም ካብ ቀደም ጀሚሮም ይፈልጡኒ እዮም። 6ሕጂ ድማ ስለቲ ኣምላኽ ነቦታትና ዝሃቦም ትጽቢት ተስፋ ኽፍረደኒ ደው ኢለ እኔኹ፡ 7ነዚ ትጽቢት እዚ ኸኣ እቶም ዓሰርተው ክልተ ዓሌትና፡ ለይትን መዓልትን ተጊሆም እናኣገልገሉ፡ ናብኡ ኽበጽሑ ተስፋ ይገብሩ ኣለዉ። ዎ ንጉስ ኣግሪጳ፡ ስለ እዛ ተስፋ እዚኣ እየ ብኣይሁድ ዝኽሰስ ዘሎኹ። 8ኣምላኽ ንምዉታት ከም ዘተንስኦም ደኣ፡ ስለምንታይ ከም ዘይእመን ነገር ጌርኩም ትርእይዎ ኣሎኹም፧ 9ኣነ ንርእሰይሲ ምስ ስም የሱስ ናዝሬታዊ ዝጻረር ነገር ክገብር ግቡአይ ምዃኑ እኳ ይመስለኒ ነይሩ። 10እዚ ድማ ኣብ የሩሳሌም ገይረዮ። ካብ ሊቃውንቲ ኻህናት ስልጣን ተቐቢለ ንብዙሓት ካብ ቅዱሳን ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእቶኽዎም፡ ክቐትልዎም ከለዉውን ሰመርኩ። 11ኣብ ኲሉ ኣባይቲ ጸሎት ድማ ብዙሕ ግዜ እናቐጻዕኩ ብሓሳር ክጸርፉ አጽብበሎም ነበርኩ። ናብተን ኣብ ወጻኢ ዘለዋ ኸተማታት ክሳዕ ዝሰጎም፡ ኣዝየ ተሃንደድክዎም። 12በዚ ነገርዚ ብትእዛዝ ሊቃውንቲ ኻህናትን ብፍቓዶምን ናብ ደማስቆ ክኸይድ ከሎኹ፡ 13ዎ ንጉስ፡ ቀትሪ ኣብ መገዲ ከሎኹስ፡ ካብ ጸሓይ ዝደምቕ ብርሃን ካብ ሰማይ ኣብ ዙርያይን ኣብ ዙርያ እቶም ምሳይ ዝኸዱ ዝነበሩን ከንጸባርቕ ከሎ ርኤኽዎ። 14ኲላትና ናብ ምድሪ ምስ ወደቕና ኸኣ፡ ብቛንቋ እብራይስጢ፡ ሳውል፡ ሳውል፡ ከመይከ እትሰጐኒ፧ ናብ ኣንፊ ብልሒ እንተ ኣድሓርሓርካ፡ ንኣኻ ይገደካ፡ ኢሉ ዝዛረበኒ ድምጺ ሰማዕኩ። 15ኣነ ድማ፡ መን ኢኻ፡ ጐይታይ፧ በልክዎ። ጐይታ ኸኣ በለኒ፡ ኣነ እቲ ንስኻ እትሰጎ ዘሎኻ የሱስ እየ። 16ግናኸ ተንስእ እሞ ብእግርኻ ደው በል፡ ነቲ ዝርኤኻዮን ኣነ ድሕርዚ ኽገልጸልካ ዘሎንን ነገር ኣገልጋልን ምስክርን ክትከውን መዲበካ ኣሎኹ፡ ስለዚ ድማ እየ እተገለጽኩልካ። 17ካብ ህዝብኻን ካብቶም ናባታቶም ዝልእከካ ኣህዛብን ከኣ ከናግፈካ እየ፡ 18ንኣይ ብምእማን ከኣ ሕድገት ሓጢኣት ርስቲ ምስ ቅዱሳንን ክረኽቡ፡ ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን፡ ካብ ስልጣን ሰይጣንውን ናብ ኣምላኽ ክምለሱ ኣዒንታቶም ክትከፍተሎም፡ እልእከካ ኣሎኹ። 19-20ዎ ንጉስ ኣግሪጳ፡ ምእንትዚ ንንስሓ ዝግባእ ግብሪ እናገበሩ ኽንስሑን ናብ ኣምላኽ ክምለሱን፡ ቅድም ኣብ ደማስቆን ኣብ የሩሳሌምን፡ ደሓር ከኣ ኣብ ኲላ ሃገር ይሁዳ ንዝነብሩን ነህዛብን ብስራት ኣበሰርኩ እምበር፡ ነቲ ሰማያዊ ራእይ ኣይኣቤኽዎን። 21ብዛዕባዚ ኸኣ ኣይሁድ ኣብ ቤተ መቕደስ ሓዙኒ ክቐትሉኒውን ሃቀኑ። 22-23ግናኸ ንዓብይን ንንእሽቶን ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ደው ኢለ እናመስከርኩ ኻብ ኣምላኽ ረዲኤት ተቐቢለ ኣሎኹ። ብዘይ እቲ ሙሴን ነብያትን ክኸውን ከም ዘለዎ እተዛረብዎ፡ ማለት፡ ክርስቶስ ሓሳረ መከራ ኸም ዝጸግብ፡ ከም በዂሪ ትንሳኤ ምዉታትውን ንህዝብን ነህዛብን ብርሃን ከም ዘበስር፡ ኢለ ሓንቲ እኳ ኣይተዛረብኩን። 24ከምዚ ኢሉ ኽመጻረ ኸሎ ድማ፡ ፌስጦስ ዓው ኢሉ፡ ኣታ ጳውሎስ፡ ተጸሊልካ ኢኻ፡ እዚ ብዙሕ ትምህርትኻ ናብ ምጽላል ኣድሂቡልካ ኣሎ፡ በሎ። 25ጳውሎስ ከኣ፡ ዎ ልኡል ፌስጦስ፡ ቃል ሓቅን ኣእምሮን እየ ዝዛረብ ዘሎኹ እምበር፡ ኣይተጸለልኩን። 26እዚ ኣነ ቅድሚኡ ደፊረ ዝዛረቦ ዘሎኹ ንጉስ ድማ ነዚ ነገርዚ ይፈልጦ እዩ፡ ኣብ ውሻጠ ኣይተገብረን እሞ፡ ካብዚ ነገርዚ ገለ ኸም ዘይጠፍኦ፡ ተረዲኤዮ ኣሎኹ። 27ዎ ንጉስ ኣግሪጳ፡ ንነብያትሲ ትኣምኖም ዲኻ፧ ከም እትኣምን እፈልጥ እየ፡ በለ። 28ኣግሪጳ ኸኣ ንጳውሎስ፡ ክርስትያን ንምዃን ከተረድኣኒ ቕሩብ ተሪፉካ፡ በሎ። 29ጳውሎስ ከኣ፡ ኣነ እንተ ብቕሩብ እንተ ብብዙሕ፡ ብዘይ እዚ መቑሐይሲ ኸምዚ ኸማይ ክዀኑ፡ ሎሚ ንዝሰምዑኒ ዂላቶም እምበር፡ ንኣኻ ጥራይ ኣይኰንኩን ካብ ኣምላኽ ዝምነዮ ዘሎኹ፡ በለ። 30ሽዑ እቲ ንጉስን እቲ ራእስን በርኒቄን እቶም መቓምጦምን ተንስኡ። 31ካብኡ ምስ ኣግለሱ ድማ፡ እዚ ሰብኣይ እዚ ናብ ሞት ወይስ ናብ ማእሰርቲ ዘብጽሕ የብሉን፡ ኢሎም ንሓድሕዶም ተዛራረቡ። 32ኣግሪጳ ኸኣ ንፌስጦስ፡ እዚ ሰብኣይ እዚ፡ ናብ ቄሳር ይግባኝ፡ ኢሉ እንተ ዘይከውንሲ፡ ክፍታሕ ምተገብኦ ነይሩ፡ በሎ።
ግ.ሃዋ. ምዕራፍ 27
1ናብ ኢጣልያ ብመርከብ ክንከይድ ምስ ተቘርጸ ኸኣ፡ ንጳውሎስን ንሓያሎ ኻልኦት እሱራትን ናብቲ ዩልዮስ ዝስሙ፡ ካብ ሰራዊት ቄሳር ዝዀነ ሓለቓ ሚእቲ፡ ኣሕለፍዎም። 2ንሃገር እስያ ብትኸይድ መርከብ ኣድራሚቲስ ጌርና ተበገስና፡ ኣርስጠርኮስ፡ ብዓል መቄዶንያ ኻብ ተሰሎንቄ፡ ምሳና ነበረ። 3ንጽብሒቱ ኣብ ሲዶና በጻሕና። ዩልዮስ ከኣ ንጳውሎስ ብጽቡቕ ገጽ ረኣዮ፡ ናብ ፈተውቱ ኽበጽሕ እሞ ካባታቶም ረዲኤት ክረክብውን ፈቐደሉ። 4ካብኣ ነቒልና ኸኣ፡ ንፋስ ብቕድሜና ስለ ዝዀነ፡ ብትሕቲ ቆጵሮስ ሓለፍና። 5ጸግዓ ጸግዒ ባሕሪ ቂልቅያን ጳምፊልያን ሓሊፍና፡ ናብ ሚራ ምድሪ ሉቅያ ኣቶና። 6እቲ ሓለቓ ሚእቲ ኸኣ ኣብኣ ናብ ኢጣልያ እትኸይድ መርከብ እስኪንድርያ ረኸበ እሞ ናብኣ ኣእተወና። 7ብዙሕ መዓልቲ ገፈፍ እናበልና ኸድና፡ ብጭንቂ ድማ ኣብ መንጽር ክኒዶስ በጻሕና። ናብኣ ኸይንቐርብ ንፋስ እንተ ኸልከለና ኸኣ፡ ብትሕቲ ቅሬጥስ ብመንጽር ሰልሞና ሓለፍና። 8ብተጋድሎ ብጎቦኣ ምስ ሓለፍና ኸኣ፡ ጽቡቕ ወደብ ናብ እትብሃል ስፍራ መጻእና፡ ካብኣ ንኸተማ ላስያ ቐረባ እዩ። 9-10በዚ ኸምዚ ብዙሕ ወርሓት ምስ ሓለፈ፡ ግዜ ጾም ድሮ ሓሊፉ ስለ ዝነበረ፡ ምኻድ መራኽብ ዘፍርህ ስለ ዝዀነ፡ ጳውሎስ፡ ኣቱም ሰብ፡ ንነፍስና ድማ እምበር፡ ንጽዕነትን ንመርከብን ጥራይ እኳ ዘይኰነስ፡ መገድና ብጭንቅን ብብዙሕ ጒድኣትን ከም ዝኸውን እርኢ ኣሎኹ፡ ኢሉ መዓዶም። 11እቲ ሓለቓ ሚእቲ ግና ካብቲ ጳውሎስ ዝብሎ ዘረባ ነቲ መራሕ መርከብን ነቲ ዋናኣን ኣዝዩ ይኣምን ነበረ። 12እቲ ወደብ ንምኽራም ዘይጥዕሞም ስለ ዝዀነ፡ እቶም ዝበዝሑ ኻብኡ ኽነቕሉ እሞ ዝከኣል እንተ ዀይኑስ፡ ናብ ፍንቄ፡ ንሱ ኸኣ ናብ ሊባን ናብ ባሕሪ ገጹ ዝርኢ ናይ ቅሬጥስ ወደብ ኣትዮም ክኸርሙ መኸሩ። 13ህዱእ ንፋስ ደቡብ ምስ ነፈሰ ኸኣ፡ ከም ሓሳቦም ዝዀነሎም መሲልዎምሲ፡ መልህቅ ኣልዒሎም ብጸግዒ ቅሬጥስ ሓለፉ። 14ሽዑ ኸኣ ብዙሕ ከይደንጐየ፡ ኤውሮክሊዶን ዝብሃል ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ካብታ ደሴት ተላዕለ። 15ነታ መርከብ መንዚዑ ምስ ወሰዳ ኸኣ፡ ንሳ ነቲ ንፋስ ክትቃወሞ ስለ ዘይከኣለት፡ ስዲ ትኺድ ሓደግናያ። 16ኣብ ጸግዒ ከላውዳ እትብሃል ደሴት ምስ በጻሕና ድማ፡ ብተጋድሎ ንጃልባ እታ መርከብ ከነድሕን ከኣልና። 17ስሒቦም ምስ ኣውጽእዋ፡ ብታሕቲ ብገመድ ኣሲሮም መጻንሒ ገበሩ። ኣብ ድበት ሑጻ ኸይወድቁ ፈሪሆም ድማ፡ ነቲ ጋንጽላ ጠቕሊሎም፡ ከምኡ ኢላ ትኺድ ሓደግዋ። 18ንጽብሒቱ ማዕበል እናበርትዓና እንተ ኸደ ኸኣ፡ ካብቲ ጽዕነት ናብ ባሕሪ ደርበዩ። 19ብሳልሰይቲ መዓልቲ ድማ ነቲ ኣቓሑ መርከብ በእዳዎም ደርበይዎ። 20ብዙሕ መዓልቲ ጸሓይ ኰነ ኸዋኽብቲ ዀነ ኸይርኤና፡ ማዕበል እናበርትዓና እንተ ኸደ፡ ኲሉ ተስፋ ምድሓን ነፍስና ፈጺምና ቐበጽና። 21ብዘይ ምግቢ ብዙሕ መዓልቲ ምስ ገበሩ ድማ፡ ጳውሎስ ኣብ ማእከሎም ደው ኢሉ በሎም፡ ኣቱም ሰብ፡ እቲ ኻብ ቅሬጥስ ከይነቐልኩም ሰሚዕኩምኒ እንተ ትዀኑስ ግዲ፡ እዚ ጸበባን ጒድኣትን እዚ ኣይምረኸበኩምን ነይሩ። 22ሕጂ ድማ፡ እዛ መርከብ ደኣ እምበር፡ ካባኻትኩምሲ ሓንቲ ነፍሲ እኳ ኣይትጠፍእን እያ እሞ፡ ክትሃድኡ እልምነኩም ኣሎኹ። 23-24በዛ ለይቲ እዚኣ እቲ መልኣኽ ናይቲ ኣነ ዝናቱን ዘገልግሎን ኣምላኸይ ኣብ ጥቓይ ደው ኢሉ፡ ጳውሎስ፡ ኣብ ቅድሚ ቄሳር ደው ክትብል ኢኻ። እንሆ፡ ነቶም ምሳኻ ዝሳገሩ ዂላቶምውን ኣምላኽ ሂቡካ ኣሎ፡ ኣይትፍራህ፡ በለኒ። 25ኣቱም ሰብ፡ ኣነ ኸኣ ከምቲ ንሱ ዝነገረኒ ኸም ዝኸውን ንኣምላኽ እኣምኖ እየ እሞ፡ ስለዚ ኣጆኹም። 26ግናኸ ናብ ሓንቲ ደሴት ክንግፋዕ ኢና። 27ኣብ መበል ዓሰርተው ኣርባዕተ ለይቲ ኣብ ባሕሪ ኣድርያ ኽንመላለስ ከሎና፡ እቶም ኣገልገልቲ መርከብ ኣብ ፍርቂ ለይቲ ናብ ምድሪ ዝቐረቡ መሰሎም። 28ሽዑ መለክዒ ገይሮም እንተ ኣቘሩ፡ ዕስራ ብቑመት ሰብ ረኸቡ። ካብኡ ቕሩብ ሕልፍ ኢሎም፡ ካልኣይ ከኣ መለክዒ ገይሮም ኣቘሩ እሞ ዓሰርተው ሓሙሽተ ብቑመት ሰብ ረኸቡ። 29ከውሒ ኣብ ዘሎዎ ኸይንወድቕ ፈሪሆም፡ ብሸነኽ ድሕሪት ነታ መርከብ ኣርባዕተ መልህቅ ኣውረዱ። መዓልቲ ክኸውን ከኣ ተመነዩ። 30እቶም ኣገልገልቲ መርከብ ድማ ካብታ መርከብ ክሃድሙ ደልዮምሲ፡ ብወገን ቅድሚታ መልህቅ ከም ዘውርዱ መሲሎም፡ ነታ ጃልባ ናብ ባሕሪ ኣውረድዋ። 31ጳውሎስ ከኣ ነቲ ሓለቓ ሚእትን ነቶም ዓቀይትን፡ እዚኣቶም ኣብ መርከብ እንተ ዘይጸንሑ፡ ንስኻትኩም ኣይትድሕኑን ኢኹም፡ በሎም። 32ሽዑ እቶም ዓቀይቲ ማእሰር እታ ጃልባ በቲኾም፡ ትውደቕ ሓደግዋ። 33ጳውሎስ ከኣ፡ እናተጸበኹም ገለ ኸይጠዓምኩም ጾምኩም ሎሚ መበል ዓሰርተው ኣርባዕተ መዓልትኹም እዩ እሞ፡ እንጌራ ብልዑ፡ ኢሉ ምድሪ ኽሳዕ ዝወግሕ ንዂላቶም ለመኖም፡ 34እምብኣርከ እዚ ንምድሓንኩም ስለ ዝዀነ፡ ካብ ሓደ ኻባኻትኩም ጸጒሪ ርእሲ እኳ ኣይክትጠፍእን እያ እሞ፡ ክትበልዑ እልምነኩም ኣሎኹ፡ በሎም። 35እዚ ምስ በለ፡ እንጌራ ኣልዒሉ ንኣምላኽ ኣመስገነ፡ ኣብ ቅድሚ ዂላቶም ድማ ቈሪሱ ኽበልዕ ጀመረ። 36ኲላቶም ከኣ ሃድኡ እንጌራውን በልዑ። 37ኣብታ መርከብ ዝነበርና ዂላትና ኸኣ ክልተ ሚእትን ሰብዓን ሹድሽተን ነፍሲ ኢና። 38በሊዖም ምስ ጸገቡ ኸኣ፡ ነቲ ስርናይ ናብ ባሕሪ ደርብዮም፡ ነታ መርከብ ኣቕለሉላ። 39ምስ ወግሐ ኸኣ፡ ነቲ ምድሪ ኣየለለይዎን። ኣማዕድዮም ግና፡ ገምገም ዘለዎ ልሳን ባሕሪ ረኣዩ እሞ፡ እንተ ተኻእሎምሲ፡ ነታ መርከብ ናብኡ ኸብጽሕዋ ደለዩ። 40ነቲ መልህቅ ፈቲሖም ከኣ፡ ናብ ባሕሪ ደርበይዎ። ድሕሪኡ ነቲ ማእሰር ስካን ፈትሕዎ፡ ነቲ ንእሽቶ ጋንጽላ ንንፋስ ገቲሮምውን፡ ናብቲ ገምገም ገጾም ከዱ። 41ኣብ ሓደ ልሳን ምድሪ ምስ በጽሑ ኸኣ፡ ነታ መርከብ ልዕል ኣበልዋ ብወገን ቅድሚታ ኸኣ ተሸኽለት እሞ ዘይትንቕነቕ ኰነት፡ ብወገን ድሕሪታ ግና ማዕበል በርቲዕዋ ተሰብረት። 42እቶም ዓቀይቲ ድማ ነቶም እሱራት፡ ሓደ እኳ ሓምቢሱ ምእንቲ ኸየምልጥ ኢሎም፡ ክቐትልዎም ተማኸሩ። 43እቲ ሓለቓ ሚእቲ ግና ንጳውሎስ ከድሕኖ ደልዩ ነቲ ምኽሮም ኣይሰመሮን። ነቶም ሓቢሶም ዝኽእሉ ድማ ቅድም ወሪዶም ናብ ምድሪ ኽወጹ ኣዘዘ፡ 44ነቶም ዝተረፉ ኸኣ፡ ገሊኦም ብሉሕ ገሊኦምውን ብስባር እታ መርከብ ይውጽኡ፡ በለ። በዚ ኸምዚ ዂላቶም ድሒኖም ናብ ምድሪ በጽሑ።
ግ.ሃዋ. ምዕራፍ 28
1ምስ ደሓንና ኸኣ፡ እታ ደሴት መሊጠ ኸም እትብሃል ፈለጥና። 2እቶም ደቂ ዓዲ ድማ ኣዝዮም ደንገጹሎም፡ ዝናም ይዘንም ስለ ዝነበረን፡ ስለቲ ቑርን ድማ፡ ሓዊ ኣንዲዶም ንዂላትና ተቐበሉና። 3ጳውሎስ ግዳ ብዙሕ ቀሸም ኣኪቡ ናብ ሓዊ ኸእቱ ኸሎ፡ ተመን፡ ብምኽንያት እቲ ረስኒ ወጺኡ፡ ኣብ ኢዱ ነኺሱ ጠልጠል በለ። 4እቶም ደቂ ዓዲ ኸኣ እቲ ኣራዊት ኣብ ኢዱ ጠልጠል ኢሉ ምስ ረኣዩ፡ ንሓድሕዶም፡ እዚ ሰብኣይዚ ብርግጽ ቀታል ነፍሲ እዩ፡ ካብ ባሕሪ እኳ እንተ ደሓነስ፡ እቲ ሕነ ዝፈዲ ኣምላኽ ብህይወት ክነብር ኣይሓደጎን፡ ተባሃሃሉ። 5ንሱ ግና ነቲ ኣራዊት ናብ ሓዊ ጸግ ኣበሎ፡ ገለውን ኣይጐድኦን። 6ንሳቶም ከኣ፡ ክሓብጥ ወይስ ሕጂሕጂ ሞይቱ ኽወድቕ እዩ፡ ኢሎም ይጽበይዎ ነበሩ። ነዊሕ ምስ ተጸበዩ እሞ እኳ ኸም ዘይጐድኦ ምስ ረኣዩ ኸኣ፡ እዝስ ኣምላኽ እዩ፡ ኢሎም ቃሎም ለወጡ።
7ኣብ ጥቓ እታ ስፍራ እቲኣ ኸኣ ናይ ጱብልዮስ ዝብሃል ኣውራ እታ ደሴት ሓያሎ ግርሁ ነበራ። ንሱ ብፍቕሪ ተቐቢሉ ሰለስተ መዓልቲ ኣአንገደና። 8ኰነ ድማ፡ ኣቦ ጱብልዮስ ብዓሶን ብውጽኣት ከብድን ሓሚሙ ነበረ። ጳውሎስ ከኣ ናብኡ ኣትዩ ጸለየሉ፡ ኣእዳዉ ኣንቢሩውን ኣሕወዮ። 9እዚ ምስ ኰነ ድማ፡ እቶም ካልኦት ሕሙማት ደቂ እታ ደሴት ናብኡ መመጺኦም ተፈወሱ። 10ብብዙሕ ክብሪ ኸኣ ኣኽበሩና፡ ክንብገስ ከሎናውን፡ ዘድልየና ዘበለ ኣስነቑና።
11ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ኸኣ በታ ኣብታ ደሴት ከሪማ ዝነበረት፡ ዕላማ ድዮስቆሮስ ዘለዋ ናይ እስኪንድርያ መርከብ ጌርና ተበገስና። 12ኣብ ሲራኩላ ምስ በጻሕና ኸኣ፡ ኣብኣ ሰለስተ መዓልቲ ጸናሕና። 13ካብኣ ሓሊፍና ኸኣ፡ ናብ ረግዮም ኣቶና። ንጽብሒቱ ንፋስ ደቡብ እንተ ተላዕለ ድማ፡ ብኻልኣይቲ መዓልቲ ናብ ጱተዮሉስ ኣቶና። 14ኣብኣ ኣሕዋት ረኸብና፡ ምሳታቶም ሾብዓተ መዓልቲ ኽንቅኒውን ለመኑና። በዚ ኸምዚ ናብ ሮሜ ኣቶና። 15እቶም ኣሕዋት ወሬና ምስ ሰምዑ ኸኣ፡ ክሳዕ ኣጵዮስ ፎሩስን ክሳዕ ሰለስተ መሓድርን ክቕበሉና መጹ። ጳውሎስ ከኣ ምስ ረኣዮም፡ ንኣምላኽ ኣመስገነ ልቡውን ሃድአ።
16ኣብ ሮሜ ምስ ኣቶና ኸኣ፡ እቲ ሓለቓ ሚእቲ ነቶም እሱራት ንሓለቓ ሰራዊት ኣሕሊፉ ሃቦም፡ ጳውሎስ ግና ምስ ሓደ ዝሕልዎ ዓቀይታይ ንበይኑ ክቕመጥ ተፈቕደሉ።
17ኰነ ድማ፡ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ጳውሎስ ነቶም ኣውራታት ኣይሁድ ጸዊዑ ኣኸቦም። ምስ ተኣከቡ ኸኣ፡ በሎም፡ ኣቱም ኣሕዋተይ፡ ኣነ ምስ ህዝብና ወይስ ምስ ስርዓት ኣቦታት ዝብኣስ ነገር እኳ ዘይገበርኩስ፡ ካብ የሩሳሌም ብእሱረይ ናብ ኢድ ሮማውያን ኣሕለፉኒ። 18ንሳቶም መርሚሮም ናብ ሞት ዘብጽሕ ምኽንያት እንተ ሰኣኑለይ ከኣ፡ ክፈትሑኒ ደለዩ። 19ኣይሁድ ምስ ተረሩ ግና፡ ንህዝበይ ዝኸሰሉ ነገር ዘይብለይ ክነሰይሲ፡ ጨኒቑኒ፡ ናብ ቄሳር ይግባይ፡ በልኩ። 20እምብኣርሲ ብዛዕባ ተስፋ እስራኤል እየ በዚ መቑሕ እዚ ተኣሲረ ዘሎኹ እሞ፡ በዚ ምኽንያት እዚ እየ ኽርእየኩምን ክዛረበኩምን ዝጸዋዕኩኹም። 21ንሳቶም ከኣ፡ ንሕና ብዛዕባኻ ኻብ ሃገር ይሁዳ ደብዳበ ኣይተቐበልናን፡ ካብ ኣሕዋት መጺኡ ዘውረየልና ወይስ ብኣኻ ኽፉእ ነገር ዝነገረና የልቦን። 22ብዛዕባ እዛ ሻራ እዚኣ ግና ኣብ ኲሉ ቦታ ኸም ዝጻረሩ፡ ንፈልጥ ኢና እሞ፡ እቲ ንስኻ እትሓስቦ ዘሎኻ ኻባኻ ኽንሰምዖ ንደሊ ኣሎና፡ በልዎ።
23መዓልቲ ድማ ቈረጹሉ፡ ብዙሓት ኰይኖም ከኣ ናብታ ሰፊርዋ ዘሎ ቤት መጹ። ካብ ንግሆ ጀሚሩ ኽሳዕ ምሸት ድማ ካብ ሕጊ ሙሴን ነብያትን ብዛዕባ የሱስ እናኣረድአ ብናይ መንግስቲ ኣምላኽ ከኣ እናመስከረ ተርጐመሎም። 24ገሊኦም ነቲ እተነግረ ኣመንዎ፡ ገሊኦም ግና ኣበይዎ። 25ንሓድሕዶም ምልጋብ ስኢኖም፡ ተፋላለዩ፡ ጳውሎስ እዛ ሓንቲ ቓል እዚኣ ምስ ተዛረበ፡ መንፈስ ቅዱስ ብነብዪ ኢሳይያስ ነቦታትኩም ጽቡቕ ተዛረቦም፡ 26-27ከምዚ ኢሉ፡ ናብዚ ህዝቢ እዚ ኺድ እሞ ንገሮም፡ በእዛኖም ከይሰምዑ፡ በዒንቶም ከይርእዩ፡ ኣእዛኖም ኣጽመሙ፡ ኣዒንቶም ዓመቱ፡ ብልቦም ከየስተውዕሉ፡ ከይምለሱ፡ ኣነውን ከየሕውዮምሲ፡ ልቢ እዚ ህዝቢዚ ረጒድ እዩ እሞ፡ ምስማዕስ ትሰምዑ ከቶ ኣይተስተውዕሉን፡ ምርኣይውን ትርእዩ ከቶ ኣይትጥምቱን ኢኹም። 28እምብኣርስኸ እዚ ምድሓን ኣምላኽ ነህዛብ ከም እተላእከ፡ ኣባኻትኩም ፍሉጥ ይኹን፡ ንሳቶም ከኣ ክሰምዕዎ እዮም። 29እዚ ምስ ተዛረበ፡ ኣይሁድ ንሓድሕዶም ብዙሕ እናተኻራኸሩ ወጹ።
30ጳውሎስ ከኣ ኣብታ እተኻረያ ቤት ክልተ ዓመት ምሉእ ተቐመጠ፡ ነቶም ናብኡ ዝመጹ ዂሎምውን ይቕበሎም ነበረ። 31ከይተኸልከለ ኸኣ መንግስቲ ኣምላኽ ብብዙሕ ትብዓት እናሰበኸ፡ ብዛዕባ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ይምህር ነበረ።