ትንቢት ኦብድያ
1ራእይ ኦብድያ።
እግዚኣብሄር ኣምላኽ ብዛዕባ ኤዶም ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ተንስኡ፡ ምስኣ ኽንዋጋእስ ንለዓል፡ ዝብል መልእኽቲ ኻብ እግዚኣብሄር ሰማዕና፡ ልኡኽ ድማ ኣብ ህዝብታት ተላእከ። 2እንሆ፡ ኣብ ማእክል ህዝብታት ኣንኣስኩኻ፡ ንስኻ ኣዚኻ እተነዓቕካ ኢኻ። 3ኣታ ኣብ ምንቃዕ ኣኻውሕ እትነብር፡ መቐመጢኻ ልዕል ዝበለ፡ ብልብኻ ድም፡ መን እዩ ናብ ምድሪ ዘውርደኒ፡ እትብል፡ትዕቢት ልብኻ ኣስሓተካ። 4ከም ንስሪ እኳ ልዕል እንተ በልካ፡ ቤትካውን ኣብ ማእከል ከዋኽብቲ እንተ ገበርካ፡ ካብኡ ኸውርደካ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር። 5ሰረቕቲ ወይስ ከተርቲ ብለይቲ እንተ ዝመጹኻ፡— ክንደይ ኰን በረስካ፡— ክሳዕ ዝኣኽሎምዶ ኣይምሰረቑን፡ በተኽቲ ወይኒ እንተ ዝመጹኻስ፡ ገለ ዘለላዶ ኣይምሓደጉልካን፡ 6ኣየ፡ ኤሳው ክንደይ ተጐርጐረ፡ እቲ ሕቡእ መዝገቡስ ክንደይ ተደልየ።
7እቶም ቃል ኪዳን ዝኣተዉልካ ሰባት ኵሎም ክሳዕ ዶብ ሰደዱኻ፡ እቶም እትኣምኖም ሰባት ከኣ ጠበሩኻ፡ ዓብለሉኻ ድማ፡ እቶም እንጌራኻ ዝበልዑውን፡ ኣእምሮ የብሉን፡ ኢሎም ኣብ ትሕቴኻ መፈንጠራ ዘርግሑልካ። 8እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ኣነ ኻብ ኤዶም ጠቢባን፡ ካብ ከረን ኤሳው ከኣ ምስትውዓልዶ ኣይከጥፍእን እየ፡ 9ኣታ ቴማን፡ ሰብ ዘበለ ካብ ከረን ኤሳው ብምቓታል ክጥረስሲ፡ ጀጋኑኻ ተስፋ ክቘርጹ እዮም።
10ብምኽንያት እቲ ንሓውካ ያእቆብ ዝገበርካዮ ዓመጽ፡ ሕፍረት ክኸድነካ እዩ፡ ንዘለኣለም ከኣ ክትጸንት ኢኻ። 11በታ ኣብ ቅድሚኡ ደው ኢልካ ዝገበርካላ መዓልቲ፡ በታ ጓኖት ንገንዘቡ ዝማረኹላ፡ መጻተኛታት ድማ ብደጌታቱ ዝኣተዉላ፡ የሩሳሌም ከኣ ዕጭ ዘውደቐላ መዓልቲ ንስኻውን ከም ሓደ ኻብታቶም ነበርካ። 12እምብኣርሲ በታ መዓልቲ መከራኡ ንመዓልቲ ሓውካ ኣይትጠምት፡ በታ መዓልቲ ጥፍኣቶም ብደቂ ይሁዳ ኣይትተሓጐስ፡ በታ መዓልቲ ጸበባ ብትዕቢት ኣይትዛረብ። 13በታ መዓልቲ መዓቱ ብደገ ህዝበይ ኣይትእቶ፡ በታ መዓልቲ መዓቱ ንስኻውን መከራኡ ኣይትርአ፡ በታ መዓልቲ መዓቱ ድማ ኢድካ ናብ ገንዘቡ ኣይትዘርግሕ። 14ነቶም ዘምለጡ ኸተጥፍእ ኢልካ ኣብ ቃራና መገዲ ደው ኣይትበል፡ በታ መዓልቲ ጸበባ ኸኣ ነቶም ዝተረፉ ናቱ ኣሕሊፍካ ኣይትሃቦም። 15መዓልቲ እግዚኣብሄር ንዅላቶም ህዝብታት ቀሪባ እያ እሞ፡ ከምቲ ዝገበርካዮ ኽገብሩኻ እዮም፡ ግብርኻ ኣብ ርእስኻ ኽምለስካ እዩ። 16ከምቲ ንስኻትኩም ኣብቲ ቅዱስ ከረነይ ዝሰቴኹምዎ፡ ከምኡ ዅሎም ህዝብታት ከየባተኹ ኽሰትዩ፡ እወ፡ ክሰትዩ ክጭልጡውን እዮም፡ ከም ዘይነበሩ ኸኣ ክዀኑ እዮም።
17ኣብ ከረን ጽዮን ዘምለጡ ኽህልዉ እዮም፡ ንሱውን ቅዱስ ክኸውን እዩ፡ ቤት ያእቆብ ከኣ ርስቶም ክርስተዩ እዮም። 18ቤት ያእቆብ ሓዊ፡ ቤት ዮሴፍ ከኣ ሃልሃልታ፡ ቤት ኤሳው ድማ ከም ሓሰር ክኹኑ እዮም። ኣብኦም ከንድዱን ክውሕጥዎምን እዮም። እግዚኣብሄር ተዛሪቡ እዩ እሞ፡ ንቤት ኤሳው ሓደ እኳ ኣይክተርፋን እዩ። 19እቶም ኣብ ደቡብ ዘለዉ ንኸረን ኤሳው፡ እቶም ኣብ ጐልጐል ዘለዉ ኸኣ ንፍልስጥኤማውያን ክርስተዩ እዮም። ንሳቶም ንምድሪ ኤፍሬምን ንምድሪ ሰማርያን ክርስተይወን እዮም፡ ብንያም ድማ ንጊልዓድ ክርስተያ እዩ። 20እቶም ተማሪኾም ዝነበሩ ሰራዊት ደቂ እስራኤል ነቲ ናይ ከነኣናውያን ዝነበረ ኽሳዕ ሰራጵታ ኽርስተዩ፡ እቶም ካብ የሩሳሌም ተማሪኾም ዝነበሩ ኣብ ሰፋራድ ዘለዉ ድማ ንኸተማታት ደቡብ ክወርስወን እዮም። 21መናገፍቲ ኸኣ፡ንኸረን ኤሳው ክፈርዱስ፡ ናብ ከረን ጽዮን ክድይቡ እዮም፡ መንግስቲውን ናይ እግዚኣብሄር ክኸውን እዩ።