ኦሪት ዘዳግም

1  2  3  4  5  6  7  8  9
10  11  12  13  14  15
16  17  18  19  20  21
22  23  24  25  26  27
28  29  30  31  32  
33  34


         ዘዳግም ምዕራፍ 1 

   1እቲ ሙሴ ኣብ ስግር ዮርዳኖስ፡ ኣብ መንጽር ሱፍ ኣብ ዘሎ በረኻ፡ ኣብ መንጎ ጳራንን ቶፌልን ላባንን ሓጸሮትን ዲዛሃብን ዘሎ ጐልጐል፡ ንዂሎም እስራኤል ዝነገሮም ቃላት እዚ እዩ። 2ካብ ሆሬብ ብመገዲ ኸረን ሰዒር ክሳዕ ቃዴስ-ባርኔዓ፡ መገዲ ዓሰርተው ሓደ መዓልቲ እዩ። 3ኣብ መበል ኣርብዓ ዓመት፡ ኣብታ መበል ዓሰርተው ሓደ ወርሒ፡ ካብታ ወርሒውን በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ፡ ሙሴ ኸምቲ እግዝኣብሄር ንደቂ እስራኤል ክነግሮም ዝኣዘዞ ዂሉ ተዛረበ። 4እዚ ነቲ ኣብ ሔስቦን ዝነበረ ሲሆን ንጉስ ኣሞራውያንን ነቲ ኣብ ዓስታሮት ኣብ አድረዒ ዝነበረ ዖግ ንጉስ ባሳንን ምስ ሰዓሮም ኰነ።
   5ሙሴ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ኣብ ምድሪ ሞኣብ ነዚ ሕጊ እዚ ኸምዚ ኢሉ ኽገልጾ ጀመረ፡ 6እግዝኣብሄር ኣምላኽና፡ ኣብ ሆሬብ ከምዚ ኢሉ ተዛረበና፡ ኣብዚ ኸረንዚ እተቐመጥኩምዎ ይኣኽለኩም፡ 7ተመሊስኩም ተጕዓዙ፡ ናብ ከረን ኣሞራውያንን ኣብ ጥቓኡ ናብ ዘሎ ዂሉን ናብ ጐልጐልን ናብ ኣኽራንን ናብ ቈላን ናብ ደቡብን ናብ ወሰን ባሕርን ናብ ምድሪ ከነኣናውያንን ናብ ሊባኖስን፡ ክሳዕ እቲ ዓብዪ ርባ፡ ርባ አፍራጥስ፡ እተዉ። 8እንሆ፡ እዛ ምድሪ ኣብ ቅድሜኹም ኣንቢረልኩም ኣሎኹ። እታ እግዝኣብሄር ነቦታትኩም፡ ንኣብርሃም፡ ንይስሃቅ፡ ንያእቆብ፡ ንኣታቶም ብድሕሪኦም ከኣ ንዘርኦም ክህቦም ዝመሓለሎም ምድሪ እተውዋ፡ ውረስዋ ኸኣ።
   9በቲ ዘበንቲ ድማ ከምዚ ኢለ ተዛረብኩኹም፡ ኣነ በይነይ ክጾረኩም ኣይክእልን። 10እግዝኣብሄር ኣምላኽኩም ኣብዚሑኩም እዩ እሞ፡ ሎሚ ምብዛሕኩም፡ እንሆ፡ ከም ከዋኽብቲ ሰማይ ኢኹም። 11ከምቲ እግዝኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትኩም እተዛረበኩም፡ ካብቲ ዘሎኹምዎ ሽሕ ሳዕ የብዝሕኩም፡ ይባርኽኩም ከኣ፡ 12እቲ ድኻምኩምን ክብደትኩምን ቈየቛኹምን ከመይ ገይረ በይነይ እጾሮ። 13ካባኻትኩም ጠቢባንን መስተውዓልትን ፍሉጣትን ሰባት ከካብ ነገድኩም ኣውጽኡ፡ ሓላቑኹም ክገብሮም እየ። 14ንስኻትኩም ድማ፡ እቲ እተዛረብካዮ ነገር ምግባሩ ጽቡቕ እዩ፡ ኢልኩም መለስኩምለይ። 15ሽዑ ሓላቑ ነገዳትኩም፡ ጠቢባንን እተፈልጡን ሰባት ወሲደ፡ ሓላቑ ሽሕን ሓላቑ ሚእትን ሓላቑ ሓምሳን ሓላቑ ዓሰርተን ኣብ ነገዳትኩም መኳንንቲ፡ ኣብ ልዕሌኹም ሓላቑ ገበርክዎም። 16በታ ግዜ እቲኣ ድማ ንፈራዶኹም ከምዚ ኢለ ኣዘዝክዎም፡ ኣብ መንጎ ኣሕዋትኩም ዘሎ ነገር ስምዑ፡ ኣብ መንጎ ሰብን ኣብ መንጎ ሓዉን፡ ኣብ መንጎ ምስኡ ዘሎ ጓና ድማ ብቕንዕና ፍረዱ። 17ነቲ ንእሽቶውን ከምቲ ዓብዪ ስምዕዎ እምበር፡ ብፍርዲ ገጽ ርኢኹም ኣይተዳልዉ። ፍርዲ ናይ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ገጽ ሰብ ኣይትፍርሁ። እቲ ዝበርትዓኩም ነገር ኣነ ኽሰምዖ፡ ናባይ ኣምጽእዎ። 18በታ ግዜ እቲኣ፡ እትገብርዎ ዂሉ ኣዘዝኩኹም።
   19ካብ ሆሬብ ነቒልና ድማ ከምቲ እግዝኣብሄር ኣምላኽና ዝኣዘዘና፡ በቲ ዝርኣኹምዎ ዓብዪን ዘፍርህን በረኻ፡ መገዲ ኸረን ኣሞራውያን ከድና፡ ናብ ቃዴስ-ባርኔዓ ኸኣ መጻእና። 20በልኩኹም ድማ፡ ናብቲ እግዝኣብሄር ኣምላኽና ዝህበና ኸረን ኣሞራውያን መጻእኩም። 21እንሆ፡ እግዝኣብሄር ኣምላኽካ እዛ ምድሪ ኣብ ኢድካ ሃበካ። ከምቲ እግዝኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትካ ዝበለካ፡ ደይብካ ውረሳ። ኣይትፍራህ፡ ኣይትሸበር። 22ንስኻትኩም ከኣ፡ ኲልኹም ናባይ መጺእኩም፡ በየናይ መገዲ ኸም እንድይብ፡ ኣብ ኣየኖት ከተማታትውን ከም እንኣቱ፡ ተመሊሶም ክነግሩና ነታ ሃገር ዝስልዩልና ቅድሜና ሰባት ንስደድ፡ በልኩምኒ። 23እቲ ነገር እቲ ባህ ኣበለኒ እሞ፡ ካባኻትኩም ዓሰርተው ክልተ ሰብ፡ ከካብ ነገድ ሓደ ሰብኣይ ወሰድኩ። 24ከይዶም ድማ ናብ ከረን ደየቡ፡ ናብ ለሰ ኤሽኰል ኣትዮምውን ሰለይዋ። 25ካብ ፍረ እታ ምድሪ ድማ በእዳዎም ወሰዱ፡ ናባና ኸኣ ኣውረድዎ። እታ እግዝኣብሄር ኣምላኽና ዝህበና ምድሪ ጽብቕቲ እያ፡ ኢሎም ድማ ምላሽ ነገሩና። 26ንስኻትኩም ግና ክትድይቡ ኣይፈቶኹምን እሞ፡ ንትእዛዝ እግዝኣብሄር ኣምላኽኩም ኣቤኹምዎ። 27ኣብ ድንኳናትኩም ኴንኩም ኣጒረምረኩም፡ በልኩም ከኣ፡ እግዝኣብሄር ስለ ዝጸልኣና፡ ምእንቲ ኸጥፍኣና ኣብ ኢድ ኣሞራውያን ኣሕሊፉ ኽህበና፡ ካብ ምድሪ ግብጺ ኣውጽኣና። 28ንሕና እሞ ናበይ ክንድይብ፡ እቲ ህዝቢ ኻባና ዝበዝሕን ዝነውሕን እዩ። እተን ከተማታት ድማ ዓበይቲ ኽሳዕ ሰማይ ዝበጽሓ እተዓርዳ እየን፡ ደቂ ዓናቅውን ኣብኡ ርኢና፡ ኢሎም ኣሕዋትና ንልብና ኣምከኽዎ። 29ሽዑ በልኩኹም፡ ኣይትጸበሩን ኣይትፍርህዎምን፡ 30እቲ ቀቅድሜኹም ዝኸይድ እግዝኣብሄር ኣምላኽኩም፡ ከምቲ ኣብ ግብጺ ኽገብረልኩም ዝርኣኹምዎ ዂሉ፡ ከምኡ ንሱ ኣብ ክንዳኻትኩም ክዋግኣልኩም እዩ። 31ሰብ ንወዱ ኸም ዝሕንግሮ፡ እግዝኣብሄር ኣምላኽካ ናብዛ ቦታ እዚኣ ኽሳዕ እትመጹ፡ ኣብ በረኻ ኣብ ኲሉ ዝኸድኩምዎ መገዲ ኸም ዝሓንገረካ ርኢኻ። 32-33እዚ ነገር እዚ ኽነሱ፡ እቲ እትሰፍሩሉ ቦታ ኽደልየልኩም፡ እትኸድዋ መገዲ ድማ ከርእየኩም፡ ለይቲ ብሓዊ፡ መዓልቲ ኸኣ ብደበና ቀቅድሜኹም ዝኸደ፡ ብእግዝኣብሄር ኣምላኽኩም ኣይኣመንኩምን።
   34-36እግዝኣብሄር ከኣ ድምጺ ቓላትኩም ሰሚዑ ተናደደ፡ እታ ነቦታትኩም ክህቦም ዝመሓልኩሎም ጽብቕቲ ምድሪ ብሓደ ኻብዞም ሰብ እዚኦም፡ እዚ ኽፉእ ወለዶ እዚ፡ ብጀካ ካሌብ ወዲ የፋኔ፡ ሓደ እኳ ኣይርእያን እዩ፡ ኢሉ መሓለ። ንሱ ኽርእያ እዩ፡ ንሱ ፈጺሙ ንእግዝኣብሄር ስዒቡ እዩ እሞ፡ እታ ዝረገጻ ምድሪ፡ ንእኡን ንደቁን ክህቦም እዩ። 37እግዝኣብሄር፡ ንኣይ ድማ ብሰርኹም፡ ንስኻውን ኣይትኣትዋን ኢኻ፡ ኢሉ ዀረየለይ። 38እያሱ ወዲ ነዌ፡ እቲ ኣብ ቅድሜኻ ደው ዝብል፡ ንሱ ኽኣትዋ እዩ። ንሱ ንእስራኤል ከረስትዮም እዩ እሞ፡ ኣትብዓዮ። 39እቶም ክማረኹ እዮም ዝበልኩምዎም ቈልዑኹም፡ እቶም ሎሚ ጽቡቕን ክፉእን ዘይፈልጡ ደቅኹም፡ ንሳቶም ክኣትውዋ እዮም፡ ንኣታቶም ክህቦም እየ፡ ክወርስዋ ኸኣ እዮም። 40ንስኻትኩም ግና ተመለሱ፡ ብመገዲ ባሕሪ ኤርትራ ድማ ናብ በረኻ ኣቢልኩም ተጕዓዙ፡ በለ። 41ሽዑ ኸኣ፡ ንእግዚኣብሄር ኣበስና፡ ንድይብ እሞ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዝኣዘዘና ዂሉ ድማ ንዋጋእ፡ በልኩምኒ። ነፍሲ ወከፍኩምውን መሳርያኡ ተዓጥቀ፡ ናብ ከረን ክትድይቡ ኸኣ ተዳሎኹም። 42እግዚኣብሄር ድማ፡ ኣነ ኣብ ማእከልኩም ኣይኰንኩን እሞ፡ ኣብ ቅድሚ ጸላእትኹም ምእንቲ ኸይትሰዓሩ ናብኡ ኣይትደይቡ ኣይትዋግኡውን፡ በሎም፡ በለኒ። 43ኣነ ድማ ነገርኩኹም፡ ንስኻትኩም ግና ትእዛዝ እግዚኣብሄር ኣቢኹም፡ ብድፍረትኩም፡ ናብቲ ኸረን ደየብኩም እምበር፡ ኣይሰማዕኩምንን፡ 44እቶም ኣብቲ ኸረን ዝነብሩ ኣሞራውያን ድማ ወጺኦም ተቐባበሉኹም፡ ከምቲ ንህቢ ዝገብሮ ገይሮም ከኣ ሰጐጉኹም፡ ኣብ ሰዒር ድማ ክሳዕ ሖርማ ወቕዑኹም። 45ተመሊስኩም ከኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር በኸኹም፡ እግዚኣብሄር ግና ድምጽኹም ኣይሰምዐን፡ እዝኑ ኸኣ ጽን ኣይበለኩምን። 46ከምተን እተቐመጥኩምለን መዓልትታት፡ ኣብ ቃዴስ ብዙሕ መዓልቲ ተቐመጥኩም።

        ዘዳግም  ምዕራፍ 2            

   1ካብኡ ተመሊስና ድማ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበለኒ፡ ብመገዲ ባሕሪ ኤርትራ ንበረኻ ገጽና ተጕዓዝና። ንኸረን ሰዒር ብዙሕ መዓልቲ ዞርናዮ። 2እግዚኣብሄር ድማ ከምዚ ኢሉ ተዛረበኒ፡ 3ነዚ ኸረንዚ ምዛር ይኣኽለኩም፡ ንሰሜን ገጽኩም ተመለሱ። 4ነቶም ህዝቢውን ከምዚ ኢልካ ኣዝዞም፡ ብዶብ እቶም ኣብ ሰዒር ዝነብሩ ኣሕዋትኩም፡ ደቂ ኤሳው፡ ክትሓልፉ ኢኹም፡ ንሳቶም ይፈርሁኹም እዮም፡ ተጠንቀቑ ደኣ፡ 5ኣይተዋግእዎም፡ ከረን ስዒርሲ ንኤሳው ርስቲ ሂበዮ እየ እሞ፡ ካብታ ምድሮም መርገጽ እግሪ እትኣክል እኳ ኣይህበኩምን እየ። 6እንጌራ ኻባታቶም ብገንዘብ ዓዲግኩም ብልዑ፡ ማይውን ካባታቶም ብገንዘብ ዓዲግኩም ስተዩ። 7እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብዂሉ ተግባር ኢድካ ባሪኹካ እዩ እሞ፡ ንሱ በዚ ዓብዪ በረካ እዚ ምጕዓዝካ ፈለጠ። በዘን ኣርብዓ ዓመት እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምሳኻ ነበረ፡ ገለ እኳ ኣይጐደለካን።
   8ነቶም ኣብ ሰዒር ዝነብሩ ኣሕዋትና ደቂ ኤሳው ሓሊፍና ድማ፡ ካብታ መገዲ ጐልጐልን ካብ ኤላትን ካብ ዔጽዮንገበርን ኣግለስና። ገጽና መሊስና ኸኣ ብመገዲ በረኻ ሞኣብ ሓለፍና። 9እግዚኣብሄር ድማ በለኒ፡ ምድሪ ዓር ንደቂ ሎጥ ርስቲ ገይረ ስለ ዝሃብክዎም፡ ካብ ምድሮም ርስቲ ኣይህበካን እየ እሞ፡ ንሞኣባውያን ኣይተዕገርግሮም ኣይትዋግኣዮምውን። 10ቀደም ሓደ ዓብዪን ብዙሕን ከም ዓናቃውያን ድማ ነዊሕ ዝቑመቱ ህዝቢ ኤሚም፡ ኣብኡ ይቕመጥ ነበረ። 11ከም ዓናቃውያን ዝበሉ፡ ንሳቶም ከኣ ረፋውያን፡ ይቑጸሩ ነበሩ። ሞኣባውያን ግና ኤሚም ይብልዎም ነበሩ። 12ሖራውያን ድማ ቀደም ኣብ ሰዒር ተቐሚጦም ነበሩ፡ ደቂ ኤሳው ግና፡ ከምቲ እስራኤል ነታ እግዚኣብሄር ዝሃቦም ምድሪ ርስቶም ዝገበርዋ፡ ሰጒጎም ካብ ቅድሚኦም ኣጥፍእዎም፡ ኣብ ስፍራኦም ድማ ተቐመጡ። 13ሕጂ ተንስኡ ርባ ዘሬድ ከኣ ተሳገሩ። ርባ ዘሬድ ድማ ተሳገርና። 14እቲ ኻብ ቃዴስ ባርኔዓ ኽሳዕ ርባ ዘሬድ እንሳገር ዝኸድናሉ ዘበን ድማ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝመሓለሎም፡ ወለዶ እቶም ተዋጋእቲ ሰባት ካብ ማእከል ሰፈር ክሳዕ ዝጠፍእ፡ ሰላሳን ሾሞንተን ዓመት ኰነ። 15ኢድ እግዚኣብሄር ድማ ክሳዕ ዝውድኡ፡ ካብ ማእከል እቲ ሰፈር ከተጥፍኦም ኣብኦም ነበረት። 
   16ኰነ ኸኣ፡ እቶም ተዋጋእቲ ሰባት ኲሎም ካብ ማእከል ህዝቢ ሞይቶም ምስ ተወድኡ፡ 17እግዚኣብሄር ከምዚ ኢሉ ተዛረበኒ፡ 18ሎሚ ንስኻ ብዓር፡ ዶብ ሞኣብ፡ ክትሓልፍ ኢኻ። 19ናብ መንጽር ደቂ ዓሞን ምስ ቀረብካ፡ ኣይተዕገርግሮም፡ ኣይትዋግኣዮም ድማ። ንደቂ ሎጥ ንርስቲ ሂበዮም እየ እሞ፡ ካብ ምድሪ ደቂ ዓሞን እትርስተዮ ገለ እኳ ኣይህበካን እየ። 20እዚኣ ድማ ቀደም ረፋውያን ስለ ዝነበርዋ፡ ሃገር ረፋውያን ተቘጽረት፡ ዓሞናውያን ግና ዛምዙሚም ይብልዎም ነበሩ። 21ከም ዓናቃውያን፡ ዓብዪን ብዙሕን ነዊሕ ዝቑመቱን ህዝቢ እዩ። ግናኸ እግዚኣብሄር ካብ ቅድሚኦም ኣጥፍኦም እሞ፡ ንኣታቶም ሰጒጎም፡ ኣብ ስፍራኦም ተቐመጡ። 22ኣብ ሰዒር ንዝነብሩ ደቂ ኤሳው ከም ዝገበረሎም፡ ንሖራውያን ካብ ቅድሚኦም ምስ ኣጥፍኣ ንኣታቶም ሰጒጎም ክሳዕ ሎሚ ኣብ ስፍራኦም ተቐመጡ። 23ነቶም ኣብ ዓድታት ክሳዕ ጋዛ ዝነበሩ ዓዊም ድማ፡ ካብ ካፍቶር ዝወጹ ካፍቶራውያን ኣጥፍእዎም፡ ኣብቲ ስፍራኦም ከኣ ተቐመጡ። 24ተንስኡ፡ ተጕዓዙ፡ ለሰ ኣርኖን ድማ ተሳገሩ። እንሆ። ሲሆን ኣሞራዊ፡ ንጉስ ሔስቦንን ምድሩን፡ ኣብ ኢድካ ሂበካ ኣሎኹ፡ ምውራሳ ጀምር፡ ምስኡ ኸኣ ተዋጋእ። 25ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዝነብሩ ዂሎም ህዝብታት፡ ካብ ሎሚ ጀሚረ ምሽብርካን ፍርሃትካን ከውርደሎም እየ። ወሬኻ ምስ ሰምዑ፡ ኣብ ቅድሜኻ የንቀጥቅጡ ራዕዲ ድማ ይሕዞም።
   26ካብ በርኻ ቀደሞት ድማ ናብ ሲሆን፡ ንጉስ ሔስቦን፡ ከምዚ ኢለ ልኡኻት ምስ ናይ ሰላም ዘረባ ሰደድኩሉ፡ 27-29ከምቲ ኣብ ሰዒር ዝነብሩ ደቂ ኤሳውን ኣብ ዓር ዝነብሩ ሞኣባውይንን ዝገበሩለይ፡ ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዝህበና ምድሪ፡ ንዮርዳኖስ ክሳዕ ዝሳገር፡ የማነ ጸጋም ከየግለስኩ ብመገደ መገዲ ክኸይድ ብምድርኻ ኣሕልፈኒ። ዝበልዖ እንጌራ ብገንዘብ ሽጠለይ፡ ዝሰትዮ ማይ ከኣ ብገንዘብ ሃበኒ፡ ሓንትስ ንእግረይ ጥራይ ኣሕልፈኒ፡ በልክዎ። 30ሲሆን፡ ንጉስ ሔስቦን ግና እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸምዚ ናይ ሎሚ ምእንቲ ኣብ ኢድካ ኽህበካ፡ ንመንፈሱ ኣትረሮ ንልቡ ኸኣ ተጻራሪ ገበሮ እሞ፡ ከሕልፈና ኣይፈተወን። 31እግዚኣብሄር ከኣ፡ እንሆ ንሲሆንን ንምድሩን ኣብ ቅድሜኻ ኣሕሊፈ ኽህበካ ጀመርኩ እሞ፡ ንምድሩ ምእንቲ ኽትርስተያ፡ ምውራሳ ጀምር፡ በለኒ። 32ሲሆን ድማ፡ ንሱን ኲሉ ህዝቡን፡ ናብ የሃጽ ንምውጋእና ኽቃባበለና ወጸ። 33እግዚኣብሄር ኣምላኽና ድማ ንእኡ ኣብ ቅድሜና ኣሕሊፉ ሃበና፡ ንእኡን ንደቁን ንዂሉ ህዝቡን ከኣ ወቓዕናዮም። 34በታ ግዜ እቲኣ ድማ ኲለን ከተማታቱ ወሰድና፡ ኲለን ከተማታት ምስናይ ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን ሓደ እኳ ኸየትረፍን ፈጺምና ኣጥፋእናዮም። 35እተን ዝዘመትናየን ማል ጥራይ ምስቲ ኻብ ከተማታት ዝገፈፍናዮ ንኣና ወሰድና። 36ካብታ ኣብ ገምገም ለሰ ኣርኖን ዘላ ዓሮዔር፡ ካብታ ኣብ ለሰ ዘላ ኸተማ ኸኣ ክሳዕ ጊልኣድ ሓንቲ ኸተማ እኳ ብምንዋሓ ዝጸንዓትና ኣይነበረትን፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ንዂለን ኣብ ቅድሜና ኣሕሊፉ ሃበና። 37ጥራይ ምድሪ ደቂ ዓሞን፡ ኲሉ ወገን ርባ ያቦቅን ኣብ ከረን ዝነበራ ኸተማታትን እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዝኸልከለና ዘበለ ዂሉ ኣይቀረብካን።

        ዘዳግም  ምዕራፍ 3            

   1ተመሊስና ድማ ብመገዲ ባሳን ደየብና። ዖግ፡ ንጉስ ባሳን ድማ ምስ ኲሉ ህዝቡ ኣብ ኤድሬዒ ኽዋግኣና ኢሉ ኽቃባበለና ወጸ። 2እግዚኣብሄር ከኣ በለኒ፡ ንእኡን ንብዘሎ ህዝቡን ንሃገሩን ኣብ ኢድካ ሂበካ ኣሎኹ እሞ፡ ኣይትፍርሃዮ። ከምቲ ኣብ ሔስቦን ንዝነበረ ሲሆን ንጉስ ኣሞራውያን ዝገበርካዮ፡ ንእኡ ድማ ከምኡ ኽትገብሮ ኢኻ። 3ከምኡ ኸኣ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ንዖግ ንጉስ ባሳንን ንዂሉ ህዝቡን ኣብ ኢድና ሃበና፡ ሓደ እኳ ኸይተረፎ ወቓዕናዮ። 4በታ ግዜ እቲኣ ዂላ ምድሪ ኣርጎብ፡ መንግስቲ ዖግ ኣብ ባሳን፡ ስሳ ኸተማ፡ ኲለን ከተማታቱ ሓዝና፡ ካባታቶም ዘይሓዝናያ ኸተማ ኣይነበረትን። 5ኲለን እዘን ከተማታት እዚኤን፡ ብጀካ እተን ዘይተዓርዳ ብዙሓት ከተማታት፡ ብነዊሕ መካበብያ እተዓርዳ፡ ብመዓጹን ብመሸጐርን ዝጸንዓ እየን። 6ከምቲ ንሲሆን ንጉስ ሔስቦን፡ ዝገበርናዮ ድማ፡ ፈጺምና ኣጥፋእናዮም። ንዂለን ከተማታት ምስ ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን ፈጺምና ኣጥፋእናዮም። 7ኲለን ማልን ካብ ከተማታት ዝገፈፍናዮን ግና ንኣና ዘመትናዮ። 8እቲ ኻብ ለሰ ኣርኖን ክሳዕ ከረን ሄርሞን፡ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ዝነበረት ሃገር፡ በታ ግዜ እቲኣ ኻብ ኢድ ክልቲኦም ነገስታት ኣሞራውያን ወሰድናያ። 9ነዚ ሄርሞን ሲዶናውያን ሲርዮን ይብልዎ፡ ኣሞራውያን ግና ሰኒር ይብልዎ። 10ኣብ ጐልጐል ዘለዋ ዂለን ከተማታትን ኲላ ጊልኣድን ኲላ ባሳንን ክሳዕ ሳልካን ኤድሬዒን፡ ከተማታት መንግስቲ ዖግ ኣብ ባሳን። 11ካብቶም ተረፍ ረፋውያን ግና ዖግ ንጉስ ባሳን በይኑ ተሪፉ ነበረ። እንሆ፡ ዓራቱ ዓራት ሓጺን ነበረ፡ ንሱ ኣብ ራባት ናይ ደቂ ዓሞን ደይኰነን፧ ምንዋሑ ብእመት ሰብ ትሽዓተ እመት፡ ምግፋሑ ኸኣ ኣርባዕተ እመት ነበረ።
   12በታ ግዜ እቲኣ እዛ ምድሪ እዚኣ ወረስና። ካብታ ኣብ ለሰ ኣርኖን ዘላ ዓሮዔር ፈረቓ ኸረን ጊልኣድን ከተማታትን ንደቂ ሮቤልን ንደቂ ጋድን ሃብክዎም። 13ተረፍ ጊልኣድን ኲላ ባሳን መንግስቲ ዖግን ንፈረቓ ነገድ ምናሴ ሃብክዎም። ብዘላ ምድሪ ኣርጎብ፡ ኲላ ባሳን፡ ሃገር ረፋውያን ትበሃል። 14ያኢር ወዲ ምናሴ፡ ነታ ኽሳዕ ወሰን ግሹራውያንን ማዓካታውያንን ዘላ ዅላ ምድሪ ኣርጎብ ሓዛ። ንእኤን፡ ማለት ባሳን፡ ብስሙ፡ እቲ ኽሳዕ ሎሚ ዝስመያሉ ዘለዋ፡ ሓዎት-ያኢር ኣውጽኣለን። 15ንማኪር ድማ ጊልኣድ ሃብክዎ። 16ንደቂ ሮቤልን ንደቂ ጋድን ድማ ካብ ጊልኣድ ክሳዕ ለሰ ኣርኖን፡ ክሳዕ ፈረቓ እቲ ለሰን ዶቡን ድማ፡ ክሳዕ ርባ ያቦቅ፡ ንሱ ኸኣ ዶብ ደቂ ዓሞን፡ 17ድማ ጐልጐልን ዮርዳኖስን ዶብን ካብ ኪነረት ክሳዕ ናይ ጐልጐል ባሕሪ፡ ንሱ ባሕሪ ጨው፡ ኣብ እግሪ ጎቦታት ጲስጋ ብምብራቑ ሃብክዎም።
   18በታ ግዜ እቲኣ ኸምዚ ኢለ ኣዘዝኩኹም፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እዛ ምድሪ እዚኣ ኽትርስተይዋ ሂብኩም እዩ እሞ፡ ኣብ ሓይሊ ዘበልኩም ኣጽዋር ሒዝኩም ቀቅድሚ ኣሕዋትኩም ደቂ እስራኤል ሕለፉ። 19ኣንስትኹምን ቈልዑኹምን ከብትኹምን ግና፡ ብዙሓት ከብቲ ኸም ዘሎኩም እፈልጥ እየ፡ ኣብተን ዝሃብኩኹም ከተማታት ይቀመጡ። 20እግዚኣብሄር ነሕዋትኩም ድማ ከማኻትኩም ክሳዕ ዘዕርፎም፡ እታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ዝህቦም ምድሪ ኽሳዕ ዝርስተይዋ፡ ጽንሑ። ድሕርቲ ነፍሲ ወከፍኩም ነናብታ ዝሃብኩኹም ርስትኹም ትምለሱ።
   21በታ ግዜ እቲኣ ድማ ንእያሱ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣብዞም ክልተ ነገስታት እዚኣቶም ዝገበሮ፡ ኣዒንትኻ ርእየን፡ ነተን ናብኤን እትሓልፍ ዘሎኻ ዂለን መንግስትታት ከኣ እግዚኣብሄር ከምኡ ኽገብር እዩ፡ 22እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፡ ንሱ እዩ ዝዋግኣልኩም እሞ፡ ኣይትፍርህዎም፡ ኢለ ኣዘዝክዎ።
   23በታ ግዜ እቲኣ ድማ፡ ንእግዚኣብሄር ከምዚ ኢለ ለመንክዎ፡ 24ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ንባርያኻ ዕቤትካን እታ ጽንዕቲ ኢድካን ከተርእየኒ ጀመርካ፡ ከመይሲ ኣብ ሰማይ ኰነ ኣብ ምድሪ ኸም ግብርኻን ከም ሓይልኻን ክገብር ዝኽእል ኣየናይ ኣምላኽ እዩ፧ 25ነዛ ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ዘላ ጽብቕቲ ምድሪ፡ ነቲ ጽቡቕ ከረንን ንሊባኖስን፡ ክርኢ ዀታ ኣሕልፈኒ፡ በልኩ። 26እግዚኣብሄር ግና ብሰርኹም ተቘጥዓኒ፡ ኣይሰምዓንን ከኣ። እግዚኣብሄር ድማ በለኒ፡ ይኣኽለካ፡ በዚ ነገር እዚ መሊስካ ኣይትዛረበኒ፡ 27ነዚ ዮርዳኖስ ኣይትሳገሮን ኢኻ እሞ፡ ናብ ርእሲ ጲስጋ ደይብ፡ ኣዒንትኻ ኣልዒልካ ኸኣ ንምዕራብን ንሰሜንን ንደቡብን ንምብራቕን በዒንትኻ ጠምት። 28እያሱ ግና ቀቅድሚ እዚ ህዝቢ እዚ ክሓልፍ፡ ንሱ ኸኣ ነዛ እትርእያ ዘሎኻ ምድሪ ኸረስትዮም እዩ እሞ፡ ንእኡ ኣዝዞ፡ ኣጽንዓዮ ኣትብዓዮውን።
   29ኣብቲ ኣብ መንጽር ቤት-ጴዖር ዘሎ ለሰ ድማ ጸናሕና።

        ዘዳግም  ምዕራፍ 4 

   1ሕጂ ድማ፡ ዎ እስራኤል፡ ምእንቲ ብህይወት ክትነብሩን ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትኩም ዝህበኩም ምድሪ ኽትኣትዉን ክትወርስዋን፡ ነዚ ኣነ ኽትገብሮ ኢለ ዝምህረካ ዘሎኹ ሕጋጋትን ፍርድታትን ስማዕ። 2ነዚ ኣነ ዝእዝዘኩም ዘሎኹ ትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምእንቲ ኽትሕልዉ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣነ ዝእዝዘኩም ነገር ኣይትወስኹ፡ ካብኡ ኸኣ ኣይትነክዩ። 3እግዚኣብሄር ብናይ በዓል-ጴዖር ዝገበሮ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ነቶም ንበዓል-ጴዖር ዝሰዓቡ ዂሎም ሰባት ካብ ማእከልካ ኸምዘጥፍኦም፡ ኣዒንትኹም ርእየን። 4ንስኻትኩም ግና ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እተጸጋዕኩም፡ ኲልኻትኩም ሎሚ ብህይወትኩም ኣሎኹም። 5እንሆ፡ ኣብታ ኽትወርስዋ እትኣትውዋ ዘሎኹም ሃገር ከምኡ ኽትገብሩ፡ ኣነ ኸምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ዝኣዘዘኒ ሕጋጋትን ፍርድታትን መሃርኩኹም። 6ንስኻትኩም ከኣ፡ እዚኣተን ኣብ ቅድሚ ህዝብታት ጥበብኩምን ምስትውዓልኩምን እየን እሞ፡ ስለዚ ሓልውወን ግበርወን ድማ። ንዂሉ እዚ ሕጋጋት እዚ ሰሚዖም፡ እዚ ዓብዪ ህዝቢ እዚ ብሓቂ ፈላጥን ኣስተውዓልን ህዝቢ እዩ፡ ክብሉ እዮም። 7ከምቲ እግዚብሄር ኣምላኽና ብእንጽውዖ ዘበለ ዝቐርበና፡ ከምኡ ኣምላኹ ዝቐርቦ፡ ኣየናይ ዓብዪ ህዝቢ እዩ፧ 8ከምዚ ኣነ ሎሚ ኣብ ቅድሜኹም ዘንብረልኩም ዘሎኹ ዂሉ ሕጊ፡ ከምኡ ቅኑዕ ሕጋጋትን ፍርድታትን ዘለዎኸ፡ ኣየናይ ዓብዪ ህዝቢ እዩ፧ 9ሓንትስ እቲ ዓይንኻ ዝረኣዮ ነገር ከይትርስዖ፡ ብዂሉ መዓልትታት ህይወትካ ድማ ካብ ልብኻ ኸይወጽእ፡ ንደቅኻን ንደቂ ደቅኻን ደኣ ኸተፍልጦም፡ ንርእስኻ ተጠንቀቕ፡ ነፍስኻ ሓሉ። 10እታ ኣብ ሆሬብ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝቘምካላ መዓልቲ፡ እግዚኣብሄር ከኣ፡ እቶም ህዝቢ ኣብ ምድሪ ዝነብሩለን ኲለን መዓልትታት ምፍራሄይ ክመሃሩ፡ ንደቆም ድማ ክምህሩስ፡ ቃለይ ከስምዖም ናባይ ኣክቦም፡ ኢሉ ተዛረበኒ። 11ንስኻትኩም ድማ ቀረብኩም፡ ኣብ እግሪ እቲ ኸረን ከኣ ደው በልኩም። እቲ ኸረንውን ክሳዕ ማእከል ሰማይ ሓዊ ይነድድ ነበረ፡ ጸልማትን ደበናን ጣቓን ድማ ነበሮ። 12እግዚኣብሄር ከኣ ካብ ውሽጢ እቲ ሓዊ ተዛረበኩም፡ ድምጺ ዘረባኡ ሰማዕኩም፡ ድምጺ ጥራይ እምበር፡ መልክዕሲ ከቶ ኣይርኤኹምን። 13እቲ ኽትገብርዎ ዝኣዘዘኩም ኪዳን፡ ዓሰርተ ቓላት ድማ ገለጸልኩም። ኣብ ክልተ ጽላት እምኒ ኸኣ ጸሓፎ። 14እግዚኣብሄር በታ ግዜ እቲኣ ድማ ንኣይ ኣብታ ኽትወርስዋ እትሓልፍዋ ምድሪ ኽትገብርዎ ሕጋጋትን ፍርድታትን ክምህረኩም ኣዘዘኒ። 15በታ እግዚኣብሄር ኣብ ሆሬብ ካብ ማእከል ሓዊ ኽዛረበኩም መዓልቲ ገለ መልክዕ እኳ ኣይርኤኹምን እሞ፡ ተጠንቂቕኩም ነፍሳትኩም ሓልዉ። 16ብዝዀነ ምስሊ፡ ብመልኽዕ ሰብኣይ ወይ ናይ ሰበይቲ እተወቕረ ምስሊ ብምግባርኩም ከይትባላሸዉ፡ 17ኣብ ልዕሊ ምድሪ ናይ ዘሎ ምስሊ ዂሉ እንስሳ፡ ምስሊ መንፈሪ ዘለዋ ኣብ ሰማይ እትነፍር ዑፍውን፡ 18ምስሊ ኣብ ምድሪ ለመም ዝብል ኲሉ፡ ምስሊ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ኣብ ማይ ዘሎ ዂሉ ዓሳ ኸኣ፡ 19ጸሓይን ወርሕን ከዋኽብትን፡ ኲሎም ሰራዊት ሰማይ ርኢኻ ኣዒንትኻ ንሰማይ ከይተልዕል፡ እሞ ነቶም እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘለዉ ዂሎም ህዝብታት ዝመቐሎም፡ ናብ ምስጋዶምን ምግልጋሎምን ከይትስሓብ ተሓሎ። 20ንኣኻትኩም ግና ከምዚ ሎሚ ዘሎኹምዎ፡ ምእንቲ ህዝቢ ርስቲ ኽትኰንዎ ኢሉ፡ እግዚኣብሄር ካብ እቶን ሓጺን፡ ካብ ግብጺ ኣውጺኡኩም እዩ። 21እግዚኣብሄር ድማ ብሰርኹም ተቘጥዓኒ እሞ፡ ኣነ ንዮርዳኖስ ከይሳገር፡ ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ንርስቲ ዝህበካ ጽብቕቲ ምድሪ ኸኣ ከይኣቱ መሓለ። 22ኣነ ንዮርዳኖስ ከይተሳገርኩ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ኽመውት እየ እሞ፡ ንስኻትኩም ግና ክትሳገሩ ነታ ጽብቕቲ ምድሪ ድማ ክትወርስዋ ኢኹም። 23-24እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝባላዕ ሓዊ፡ ቀናእ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምሳኻትኩም ዝኣተዎ ኪዳን ከይትርስዑ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝኸልከለካ ዘበለ ገለ መልክዕ ዘለዎ እተወቕረ ምስሊ ኸይትገብሩ ተጠንቀቑ።
   25ደቅን ደቂ ደቅን ምስ ወለድካ፡ ኣብታ ምድሪ ኸኣ ነዊሕ ዘበን ምስ ተቐመጥኩም፡ ናይ ዝዀነ ገለ መልክዕ ዘለዎ እተወቕረ ምስሊ ብምግባርኩም ምስ እትበላሸዉ፡ ምእንቲ ኸተዀርይዎ ኸኣ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ክፉእ ምስ እትገብሩ፡ 26ካብታ ዮርዳኖስ ተሳጊርኩም እትወርስዋ ምድሪ ቐልጢፍኩም ከም እትጸንቱ፡ ኣነ ሎሚ ሰማይን ምድርን እመስክረልኩም ኣሎኹ። ፈጺምኩም ትበርሱ እምበር፡ ነዊሕ መዓልቲ ኣይትነብርዋን ኢኹም። 27እግዚኣብሄር ናብ ማእከል ህዝብታት ክብትነኩም እዩ፡ ኣብቶም እግዚኣብሄር ናብኦም ዝወስደኩም ኣህዛብ ሒደት ቁጽሪ ኽትተርፉ ኢኹም። 28ኣብኡ ነቶም ብኢድ ሰብ እተገብሩ ብዘይርእዮ፡ ዘይሰምዑ፡ ዘይበልዑ፡ ዘይጨንዉ ኣማልኽቲ ዕጨይትን እምንን ከተገልግሉ ኢኹም። 29ካብኡ ግና ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ እንተ ደሌኻዮ፡ ብዂሉ ልብኻን ብዂሉ ነፍስኻን እንተ ደሌኻዮስ፡ ክትረኽቦ ኢኻ። 30ምስ ጸበበካ፡ እዚ ዂሉ ምስ በጽሓካ፡ ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ክትምለስ ኢኻ፡ ቃሉ ኸኣ ክትሰምዕ ኢኻ። 31እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ርሕሩሕ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ኣይሓድገካን ኣየጥፍኣካን፡ ነቲ ምስ ኣቦታትካ ዝመሓሎ ኪዳን ኣይርስዖን።
   32ካብታ እግዚኣብሄር ንሰብ ኣብ ምድሪ ዝፈጠረላ መዓልቲ፡ ካብቲ ሓደ ወሰን ሰማይ ክሳዕ እቲ ሓደ ወሰን ሰማይ ከምዚ ዝበለ ዓብዪ ነገር ኰይኑ እንተ ዀነ፡ ወይ ነዚ ዝመስል ተሰሚዑ እንተ ዀይኑ፡ ነቲ ቕድሜኻ ዝነበረ ቐዳሞት ዘበናት ጠይቕ። 33ከምዚ ንስኻ ዝሰማዕካዮ፡ ኣምላኽ ካብ ማእከል ሓዊ ኽዛረብ ቃሉ ዘሰምዐ፡ ብህይወት ከኣ ዝነብር ህዝቢዶ ኣሎ፧ ወይ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምእንታኹም ኣብ ግብጺ ኣብ ቅድሚ ዓይንኹም ዝገበሮ፡ መጺኡ ብፈተናን ብትእምርትን ብተኣምራትን ብውግእን ብሓያል ኢድን ብዝርግሕቲ ቕልጽምን ብዓብዪ መፍርህን ካብ ማእከል ካልእ ህዝቢ ንእኡ ዝኸውን ህዝቢ ኽወስድ ዝፈተነ ኣምላኽዶ ኣሎ፧ 34ወይ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምእንታኹም ኣብ ግብጺ ኣብ ቅድሚ ዓይንኹም ዝገበሮ፡ መጺኡ ብፈተናን ብትእምርትን ብተኣምራትን ብውግእን ብሓያል ኢድን ብዝርግሕቲ ቕልጽምን ብዓብዪ መፍርህን ካብ ማእከል ካልእ ህዝቢ ንእኡ ዝኸውን ህዝቢ ኽወስድ ዝፈተነ ኣምላኽዶ ኣሎ፧ 35እግዚኣብሄር ንሱ ኣምላኽ ከም ዝዀነ፡ ብጀካኡ ኻልእ ከም ዘልቦ ምእንቲ ኽትፈልጥ፡ ንኣኻ ተራእየካ። 36ምእንቲ ኽምህረካ፡ ካብ ሰማይ ድምጹ ኣስምዓካ፡ ኣብ ምድሪ ኸኣ ዓብዪ ሓዉ ኣርኣየካ፡ ቃላቱ ድማ ካብ ማእከል ሓዊ ሰማዕካ። 37ነቦታትካ ስለ ዝፈተዎም ድማ፡ ብድሕሪኦም ንዘርኦም ሓረየ፡ ባዕሉ ኸኣ ብዓብዪ ሓይሉ ቀቅድሚኡ ኻብ ግብጺ ኣውጽኣካ። 38ሃገሮም ርስቲ ገይሩ ኽህበካ፡ ናብኣ ምእንቲ ኸእትወካ፡ ከምዚ ሎሚ ዀይንዎ ዘሎ ኻባኻ ዝዓብዩን ዝሕይሉን ህዝብታት ካብ ቅድሜኻ ሰጐጎም። 39እምበኣር ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ ኣብ ታሕቲ ኸኣ ኣብ ምድሪ፡ እግዚኣብሄር፡ ንሱ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ካልእ ከምዘየልቦ፡ ሎሚ ፍለጥ፡ ኣብ ልብኻውን ሕሰቦ። 40ንኣኻን ብድሕሬኻን ድማ ንደቅኻን ኽጽብቐልካ፡ ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ንሓዋሩ ዝህበካ ምድሪ ኸኣ መዓልትታትካ ምእንቲ ኽነውሕ፡ እቲ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ሕጋጋቱን ትእዛዛቱን ሓሉ።
   41ሽዑ ሙሴ ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ብወገን ምብራቕ ሰለስተ ኸተማ ፈለየ። 42ቅድም ጽልኢ ዘይነበሮ ብዘይ ፍልጠት ብጻዩ ዝቐተለ ቐታሊ ዝሃድመለን፡ ንሱ ናብ ሓንቲ ኻብዘን ከተማታት እዚኤን ሃዲሙ ምእንቲ ብህይወት ክነብር እዚ ገበረ። 43ንደቂ ሮቤል ቤጾር ኣብ በረኻ ኣብ ጐልጐል፡ ንደቂ ጋድ ከኣ ራሞት ናይ ጊልኣድ፡ ንደቂ ምናሴ ድማ ጎላን ኣብ ባሳን።
   44ሙሴ ድማ ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ዘንበሮ ሕጊ እዚ እዩ። 45ደቂ እስራኤል ካብ ግብጺ ምስ ወጹ፡ ሙሴ ዝነገሮም ምስክራትን ሕጋጋትን ፍርድታትን እዚ እዩ። 46ኣብ ስግር ዮርዳኖስ፡ ኣብ ርባ፡ ኣብ መንጽር ቤት-ጴዖር፡ ኣብ ምድሪ ሲሆን፡ ኣብ ሔስቦን ዝነበረ ንጉስ ኣሞራውያን፡ ሙሴን ደቂ እስራኤልን ካብ ግብጺ ምስ ወጹ ዝወቕዕዎ፡ 47ምድሩን ምድሪ ዖግ ንጉስ ባሳንን፡ ናይ ክልቲኦም ነገስታት ኣሞራውያን፡ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ፡ ብምብራቕ ጸሓይ ዝነበረ፡ ሓዙ። 48ካብታ ኣብ ገምገም ርባ ኣርኖን ዘላ ዓሮዔር ክሳዕ ከረን ሲዮን፡ ንሱ ኸኣ ሄርሞን፡ 49ኲሉ ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ብሸነኽ ምብራቕ ዘሎ ጐልጐል፡ ክሳዕ እቲ ኣብ እግሪ ጐቦታት ጲስጋ ዘሎ ባሕሪ ጐልጐል ድማ ሓዙ።

        ዘዳግም  ምዕራፍ 5            

   1ሙሴ ድማ ንዂሎም እስራኤል ጸዊዑ፡ በሎም፡ ዎ እስራኤል፡ እዚ ኣነ ሎሚ ኣብ ኣእዛንኩም ዝነግረኩም ዘሎኹ ሕጋጋትን ፍርድታትን ስማዕ፡ ተመሃርዎን ሓልውዎን ግበርዎን ከኣ። 2እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኣብ ሆሬብ ምሳና ኪዳን ኣተወ። 3እግዚኣብሄር እዚ ኪዳን እዚ፡ ንሕና ዂልና ኣብዚ ሎሚ ብህይወት ምስ ዘሎና፡ ምሳና እምበር፡ ምስ ኣቦታትና ኣይኣተዎን። 4እግዚኣብሄር ኣብቲ ኸረን ካብ ማእከል ሓዊ ገጽ ንገጽ ተዛረበኩም። 5ሽዑ ሓዊ ፈሪህኩም ናብቲ ኸረን ኣይደየብኩምን እሞ በታ ግዜ እቲኣ፡ እቲ እግዚኣብሄር እተዛረቦ ምእንቲ ኽነግረኩም፡ ኣነ ኣብ መንጎ እግዚኣብሄርን ኣብ መንጎኹምን ቈምኩ። ንሱ በለ፡
   6ካብ ምድሪ ግብጺ፡ ካብ ቤት ባርነት ዘውጻእኩኻ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ።
   7ኣብ ቅድመይ ካልኦት ኣማልኽቲ ኣይሃልዉኻ።
   8ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ ካብ ዘለዉ፡ ኣብ ታሕቲ ኣብ ምድሪ ኻብ ዘለዉ፡ ወይ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ኣብ ማይ ካብ ዘለዉ እተወቕረ ምስልን ስእሊ ዘበለን ንኣኻ ኣይትግበር፡ 9ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ ንዝጸሉኡኒ ሓጢኣት ኣቦታት ኣብ ደቂ ኽሳዕ ሳልሳይን ክሳዕ ራብዓይን ወለዶ ዝቐጽዕ፡ ቀናእ ኣምላኽ እየ እሞ፡ ኣይትስገደሎም፡ ኣይተምልኮም። 10ንዝፈትዉኒ፡ ትእዛዛተይ ንዝሕልዉ ኸኣ ክሳዕ ሽሕ ወለዶ ምሕረት ዝገብር እየ።
   11እግዚኣብሄር ስሙ ብኸንቱ ንዘልዕል ናጻ ኣይሓድጎን እዩ እሞ፡ ስም እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብኸንቱ ኣይተልዕል።
   12ንመዓልቲ ሰንበት ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝኣዘዘካ፡ ክትቅድሳ ሓልዋ። 13ሹድሽተ መዓልቲ ዕዮ፡ ኲሉ ተግባርካ ግበሮ። 14እታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ግና ናይ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ሰንበት እያ። ብእኣ ግዙእካን ግዝእትኻን ድማ ከማኻ ምእንቲ ኽዓርፉስ፡ ንስኻን ወድኻን ጓልካን ግዙእካን ግዝእትኻን ብዕራይካን ኣድግኻን ወይ ኵሉ ማልካ፡ ወይ ኣብ ውሽጢ ደጌኻ ዘሎ ጓናኻ ዝዀነ ዕዮ ኣይትዕየዩ። 15ንስኻ ድማ ኣብ ሃገር ግብጺ ባርያ ኸም ዝነበርካ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸኣ ብጽንዕቲ ኢድን ብዝርግሕቲ ቕልጽምን ካብኣ ኸም ዘውጽኣካ ዘክር፡ ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ መዓልቲ ሰንበት ክትሕሉ፡ ኣዘዘካ።
   16ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝህበካ ምድሪ ዕድሜኻ ምእንቲ ኽነውሕ፡ ምእንቲ ኽጽብቐልካውን፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝኣዘዘካ፡ ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር።
   17ኣይትቕተል።
   18ኣይትዘሙ።
   19ኣይትስረቕ።
   20ኣብ ብጻይካ ብሓሶት ኣይትመስክር።
   21ሰበይቲ ብጻይካ ኣይትመነ። ቤት ብጻይካ፡ ግራቱ ወይ ግዙኡ ወይ ግዝእቱ፡ ብዕራዩ ወይ ኣድጉ ወይ ናይ ብጻይካ ዘበለ ዅሉ ኣይትመነ።
   22እዘን ቃላት እዝኤን እግዚኣብሄር ኣብቲ ኸረን ካብ ማእከል ደበናን ጣቓን ዓው ኢሉ፡ ንብዘላ ማሕበርኩም ተዛረበ፡ ካልእ ኣይወሰኸን። ኣብ ክልተ ጽላት እምኒ ጺሒፉ ኸኣ ንኣይ ሃበኒ። 23ኰነ ኸኣ፡ ኲሉ እቲ ኸረን ክነድድ ከሎ፡ ካብቲ ጸልማት ቃል ምስ ሰማዕኩ፡ ኵላቶም ሓላቑ ነገዳትኩምን ሽማግሌታትኩምን ናባይ ቀረብኩም፡ 24በልኩም ድማ፡ እንሆ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኽብረቱን ዕቤቱን ኣርኣየና፡ ድምጹውን ካብ ማእከል ሓዊ ሰማዕና፡ ኣምላኽ ምስ ሰብ ክዛረብ፡ ንሱ ኸኣ ብህይወት ክነብር ሎሚ ርኤና። 25ሕጂ ድማ ስለምንታይ እንመውት፧ እዚ ዓብዪ ሓዊ ኽበልዓና እዩ እሞ፡ ድምጺ እግዚኣብሄር ኣምላኽና መሊስና እንተ ሰማዕና፡ ክንመውት ኢና። 26ካብ ኵሉ ስጋኸ ኸማና ድምጺ ህያው ኣምላኽ ካብ ማእከል ሓዊ ኽዛረብ ሰሚዑስ ብህይወት ዝነበረ መን ኣሎ፧ 27ንስኻ ደኣ ቕረብ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዝብሎ ዅሉ ድማ ስማዕ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዝነግረካ ዅሉውን ንስኻ ንገረና፡ ንሕና ኸኣ ክንሰምዖን ክንገብሮን ኢና።
   28ክትዛረቡኒ ኸሎኹም ድማ፡ እግዚኣብሄር ቃል ዘረባኹም ሰምዐ፡ እግዚኣብሄር ከኣ በለኒ፡ ቃል ዘረባ እዚ ህዝቢ እዚ እቲ እተዛረቡኻ ሰሚዔዮ ኣሎኹ፡ እትዛረብዎ ዅሉ ጽቡቕ እዩ፡ 29እሞ ንኣታቶምን ንደቆምን ንዘለኣለም ምእንቲ ኽጽብቐሎም፡ ክፈርሁንን ኵሉ ትእዛዛተይ ክሕልዉን፡ ንሓዋሩ እዚ ልቢ እዚ እንተ ዝህልዎም መን ምሃበ። 30ኪዱ፡ ናብ ድንኳናትኩም ተመለሱ፡ በሎም። 31ንስኻ ግና፡ ኣብታ ኣነ ንርስቲ ዝህቦም ምድሪ ኽገብርዎ፡ እቲ እትምህሮም ሕጋጋተይን ትእዛዛተይ ፍርድታተይ ክነግረካ፡ ኣብዚ ምሳይ ደው በል። 32ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝኣዘዘኩም ክትገብሩ ድማ ተጠንቀቑ። ካብኡ ንየማን ኰነ ንጸጋም ኣይትዝበሉ። 33ኣብታ እትወርስዋ ምድሪ ምእንቲ ብህይወት ክትነብሩ፡ ክጽብቐልኩምውን ዕድሜኹም ድማ ክነውሕ፡ በታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝኣዘዘኩም ኵላ መገዲ ኺዱ።

        ዘዳግም  ምዕራፍ 6            

   1እቲ ኣብታ ክትርስተይዋ እትሓልፍዋ ዘሎኹም ሃገር ክትገብርዎ፡ ኣነ ኽምህረኩም፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝኣዘዘኒ ትእዛዛትን ሕጋጋትን ፍርድታትን ድማ እዚ እዩ። 2ንስኻን ወድኻን ደቂ ደቅኻን ምሉእ ዕድሜኻ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምእንቲ ኽትፈርህ፡ ዕድሜኻ ድማ ምእንቲ ኽነውሕ፡ እዚ ኣነ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ዅሉ ትእዛዛቱን ሕጋጋቱን ሓሉ። 3ስለዚ፡ ዎ እስራኤል፡ ስማዕ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትካ ዝበለካ፡ ክጽብቐልካን ኣብታ ጸባን መዓርን እተውሕዝ ሃገርን ድማ ኣዚኻ ኽትበዝሕን፡ ክትገብሮ ተጠንቀቕ።
   4ዎ እስራኤል፡ ስማዕ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ሓደ እግዚኣብሄር እዩ። 5ንስካ ድማ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብዅሉ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ብዅሉ ሓይልኻን ፍተዎ። 6እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ቓላት ኣብ ልብኻ ይኹን። 7ንደቅኻ ምሃሮም፡ ኣብ ቤትካ ኾፍ ምስ በልካን ኣብ መገዲ ኽትከይድ ከሎኻን ኣብ በጥ ምባልካን ኣብ ምትንሳእካን ብእኡ ተዛረብ። 8ንምልክት ኣብ ኢድካ እሰሮ፡ ኣብ መንጎ ኣዒንትኻ ድማ ክታብ ይኹን። 9ኣብ ልዳት ቤትካን ኣብ ማዕጾኻን ድማ ጽሓፎ።
   10ክኸውን ድማ እዩ፡ ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ነቦታትካ፡ ንኣብርሃምን ንይስሃቅን ንያእቆብን፡ ንኣኻ ኽህበካ፡ ዝመሓለሎም ምድሪ፡ ምስ ኣእተወካ፡ ዘይሰራሕካየን ዓበይትን ጽቡቓትን ከተማታት፡ 11ዘይመላእካየን ኵሉ ጽቡቕ ዘበለ ዝመልኣ ኣባይትን፡ ዘይኰዓትካዮ ዅዑት ዔላታትን፡ ዘይተኸልካዮ ወይንን ኣውልዕን ከኣ ምስ ሃበካ፡ እሞ በሊዕካ ምስ ጸገብካ፡ 12ሽዑ ነቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ፡ ካብ ቤት ባርነት ዘውጽኣካ እግዚኣብሄር ከይትርስዖ ተጠንቀቕ። 13ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ፍራህ፡ ንእኡ ድማ ኣገልግል ብስሙውን ምሓል። 14-15እቲ ኣብ ማእከልካ ዘሎ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ቀናእ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ኵራ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣባኻ ኸይነድድ ካብ ገጽ ምድሪውን ከየብርሰካስ፡ እቶም ኣብ ዙርያኻ ዝነብሩ ህዝብታት ንዘምልኽዎም ካልኦት ኣማልኽቲ ኣይትስዓቡ።
   16ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፡ ከምቲ ኣብ ማሳ ዝፈተንኩምዎ፡ ኣይትፈትንዎ። 17ትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፡ ንዝኣዘዘካ ምስክሩን ሕጋጋቱን ከኣ ኣጽኒዕኩም ሓልዉ። 18-19ከምቲ እግዚኣብሄር እተዛረቦ፡ ምእንቲ ኽጽብቐልካ፡ ንዅሎም ጸላእትኻ ኻብ ቅድሜኻ ክሰጎም፡ ናብታ እግዚኣብሄር ነቦታትካ ዝመሓለሎም ጽብቕቲ ምድሪ ኸኣ ክትኣቱን ክትርስተያን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕን ጽቡቕን ግበር።
   20ንዳሕራዩ ወድኻ፡ እዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዝኣዘዘና ምስክራትን ሕጋጋትን ፍርድታትን እንታይ እዩ፧ ኢሉ እንተ ሓተተካ፡ 21ሽዑ ንወድኻ በሎ፡ ኣብ ግብጺ ባሮት ፈርኦን ነበርና፡ እግዚኣብሄር ከኣ ብሓያል ኢድ ካብ ግብጺ ኣውጽኣና። 22እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ግብጺ፡ ኣብ ፈርኦንን ኣብ ብዘሎ ቤቱን፡ ኣብ ቅድሚ ዓይንና ዓበይትን ዝጐድእን ትእምርትን ተኣምራትን ገበረ። 23ንኣና ግና፡ ናብታ ነቦታትና ዝመሓለሎም ምድሪ ምእንቲ ኸእትወናን ንእኣ ኽህበናን፡ ካብ ግብጺ ኣውጽኣና። 24ምሉእ ዕድሜና ምእንቲ ጽቡቕ ክዀነልና ኸምዚ ሎሚ ዘሎናዮ ኸኣ፡ ብህይወት ከንብረና፡ እግዚኣብሄር ነዚ ዅሉ ትእዛዛት ክንገብሮ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ድማ ክንፈርሆ ኣዘዘና። 25ንኣና ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽና፡ ከምቲ ዝኣዘዘና፡ ንዅሉ እዚ ትእዛዛት እዚ ንምግባሩ እንተ ተጠንቀቕና፡ ጽድቂ ይዀነልና።

        ዘዳግም  ምዕራፍ 7            

   1እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ናብታ ኽትወርሳ እትኣትዋ ዘሎኻ ምድሪ ምስ ኣእተወካ፡ ብዙሓት ህዝብታትውን ካብ ቅድሜካ ምስ ሰጐጐልካ፡ ሔታውያንን ጌርሳውያንን ኣሞራውያንን ከነኣናውያንን ፈረዛውያንን ሃዋውያንን ይቡሳውያንን፡ ሾብዓተ ኻባኻ ዝዓብዩን ዝሕይሉን ህዝብታት፡ 2እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣብ ቅድሜካ ኣሕሊፉ ምስ ዝህበካ፡ እሞ ምስ እትወቕዖም፡ ፈጺምካ ኣጥፍኣዮም። ኪዳን ኣይትተኣታተዎም ኣይትምሓሮምውን። 3ኣይትዋሰቦም፡ ጓልካ ንወዱ ኣይትሃቦ፡ ጓሉ ኸኣ ንወድኻ ኣይትውሰድ። 4ንደቅኻ፡ ካልኦት ኣማልኽቲ ምእንቲ ኸምልኹ ካብ ምስዓበይ ይመልሶም እሞ፡ ኵራ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሌኹም ይነድድ፡ ቀልጢፉ ኸኣ የጥፍኣካ። 5ከምዚ ደኣ ግበርዎም፡ መሰውኢታቶም ኣፍርሱ፡ ሓወልትታቶምውን ሰብብሩ፡ ጣኦታቶም ኣውድቑ። እተጸርበ ምስልታቶም ከኣ ብሓቂ ኣንድዱ። 6ንስኻስ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ቅዱስ ህዝቢ ኢኻ እሞ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ ካብ ኲሎም ኣብ ልዕሊ ገጽ ምድሪ ዘለዉ ህዝብታት ፈልዩ፡ ህዝቡ ኽትኰኖ ሓረየካ። 7እግዚኣብሄር ዝፈተወኩምን ዝሓረየኩምን፡ ካብ ኵሎም ካልኦት ህዝብታት ስለ ዝበዛሕኩም ኣይኰነን፡ ካብ ኵሎም ህዝብታት እኳ ንስኻትኩም ትውሕዱ። 8እግዚኣብሄር ስለ ዝፈተወኩምን እቲ ነቦታትኩም ዝመሓለሎም ማሕላ ስለ ዝሓለወን፡ እግዚኣብሄር ብሓያል ኢድ ኣውጽኣኩም። ካብ ቤት ባርነት ድማ፡ ካብ ኢድ ፈርኦን ንጉስ ግብጺ፡ ኣድሓነካ። 9እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ንሱ ኣምላኽ ከም ዝዀነ፡ ንዝፈትውዎን ትእዛዙ ንዝሕልዉን ክሳዕ ሽሕ ወለዶ ምሕረት ዝገብር፡ ኪዳን ዝሕሉ እሙን ኣምላኽ ከም ዝዀነ፡ ፍለጥ። 10ነቶም ዝጸልእዎ ግና፡ ኣብ ቅድሚ ገጾም ንጥፍኣቶም ይፈድዮም። ንዝጸልኦ ኣይድንጕን፡ ኣብ ቅድሚ ገጹ ደኣ ይፈድዮ። 11እምበኣርሲ፡ እዚ ሎሚ ኣነ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ትእዛዝን ሕጋጋትን ፍርድታትን ክትገብሮ፡ ተጠቀቕ።
   12ክኸውን ድማ እዩ፡ እዚ ፍርድታት እዚ ሰሚዕካ ስለ ዝሓሎኻዮን ስለ ዝገበርካዮን፡ ንኣኻ ድማ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እቲ ነቦታትካ ዝመሓለሎም ኪዳንን ምሕረትን ክሕልወልካ እዩ፡ 13ክፈትወካን ክባርኸካን ከብዝሓካን ከኣ እዩ። ኣብታ ንኣኻ ኽህበካ ነቦታትካ ዝመሓለሎም ምድሪ ድማ፡ ፍረ ኸርስኻን ፍረ ምድርኻን ስርናይካን ወይንኻን ዘይትኻን፡ ኣባትይ ኣሓኻን ዕያውቲ ኣባጊዕካን ክባርኸልካ እዩ። 14ሓለፋ ዂሎም ህዝብታት ክትባረኽ ኢኻ። ኣባኻ ሰብኣይ ኰነ ሰበይቲ ወይ ኣብ ማልካ መኻን ኣይከውንን። 15እግዚኣብሄር ድማ ሕማም ዘበለ ኻባኻ ኸርሕቕ እዩ፡ እቲ እትፈልጦ ዅሉ ኽፉእ ሕማም ግብጺ ድማ ኣየምጽኣልካን እዩ። ናብ ኵሎም ዝጸልኡኻ ደኣ የምጽኣሎም። 16እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ንዝህበካ ዅሎም ህዝብታት ድማ ክትውድኦም ኢኻ፡ ዓይንኻ ኣይትንሓፎም፡ ኣማልኽቶምውን መፈንጠራ ኸይኰኑኻ፡ ኣይተምልኮም። 17ብልብኻ ድማ፡ እዞም ህዝብታት እዚኣቶም ካባይ ዝበዝሑ እዮም እሞ፡ ከመይ ገይረ ኸውጽኦም እኽእል፧ እንተ በልካ፡ 18ኣይትፍርሃዮም፡ እቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣብ ፈርኦንን ኣብ ኵላ ግብጽን ዝገበሮ፡ 19ነቲ ኣዒንትኻ ዝረኣያኦ ዓብዪ ፈተናታትን ትእምርትታትን ተኣምራትን፡ ነታ ሓያል ኢድን ዝርግሕቲ ቕልጽምን እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብእኣ ዘውጽኣካ፡ ኣጸቢቕካ ዘክር። ነዞም ኵሎም እትፈርሆም ዘሎኻ ህዝብታት፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸምኡ ኽገብሮም እዩ። 20ነቶም ዝተረፉን ካብ ቅድሜኻ እተሓብኡን ድማ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኽሳዕ ዝጠፍኡ፡ ዕኰት ክሰደሎም እዩ። 21እቲ ዓብይን መፍርህን ኣምላኽ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ ኣብ ማእከልካ እዩ እሞ፡ ብኣታቶም ኣይትፍራህ። 22ነዞም ህዝብታት እዚኦም እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኻብ ቅድሜኻ በብሒደት ክሰጎም እዩ። ኣራዊት መሮር ምእንቲ ኸይበዝሑኻስ፡ ብሓንሳእ ከተጥፍኦም ኣይትኽእልን። 23እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ንኣታቶም ኣብ ቅድሜኻ ኣሕሊፉ ኽህበካ እዩ፡ ብዓብዪ ስምባድ ድማ ክሳዕ ዝጠፍኡ የሸብሮም። 24ንነገስታቶም ከኣ ኣብ ኢድካ ኽህበካ እዩ፡ ስሞም ድማ ካብ ትሕቲ ሰማይ ከተጥፍእ ኢኻ። ክሳዕ እተጥፍኦም፡ ኣብ ቅድሜኻ ክቃወም ዝኽእል ሰብ የልቦን። 25እተወቕረን እተጸርበን ምስልታት ኣማልኽቶም ብሓዊ ኣንድዱ፡ ነቲ ኣባታቶም ዘሎ ብሩርን ወርቅን ኣይትመነዮ፡ እዚ ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ፍንፉን እዩ እሞ፡ ብእኡ ኸይትሕንኰልሲ፡ ካብኡ ንኣኻ ገለ ኣይትውሰድ። 26ንስኻ ድማ ከምኡ ምእንቲ ሕሩም ከይትኸውንሲ፡ ገለ ፍንፉን ነገር ናብ ቤትካ ኣይተእቱ፡ ተሓሪሙ እዩ እሞ፡ ኣዚኻ ጽልኣዮን ፈንፍኖን።

        ዘዳግም  ምዕራፍ 8            

   1ምእንቲ ብህይወት ክትነብሩን ክትበዝሑን፡ ናብታ እግዚኣብሄር ነቦታትኩም ዝመሓለሎም ምድሪ ኽትኣትዉን ክትወርስዋን፡ ነዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘሎኹ ዅሉ ትእዛዛት ተጠንቂቕኩም ግበርዎ። 2እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ድማ በዘን ኣርብዓ ዓመት ኣብ በረካ ዝመርሓካ ዅሉ መገዲ፡ ትእዛዛቱ እትሕሉ እንተ ዄንካ ወይ ዘይትህሉ፡ ኣብ ልብኻ ዘሎ ዅሉ ምእንቲ ኽፈልጥ፡ ክፍትነካ ኢሉ ኸም ዘዋረደካ፡ ዘክር። 3ሰብ ካብ ኣፍ እግዚኣብሄር ብዝወጽእ ኵሉ ነገር ደኣ እምበር፡ ብእንጌራ ጥራይ ከም ዘይነብር ምእንቲ ኸፍልጠካ፡ ንሱ ኣዋረደካ፡ ኣጥመየካ፡ ንስኻ ዘይፈለጥካዮ ኣቦታትካውን ዘይፈለጥዎ ማና ኸኣ ኣብልዓካ። 4በዘን ኣርብዓ ዓምት ክዳንካ ኣባኻ ኣይበለየን፡ እግርኻውን ኣይሓበጠን። 5ሰብ ንወዱ ኸም ዝቐጽዕ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ድማ ከምኡ ኸም ዝቐጽዓካ፡ ብልብኻ ፍለጥ።
   6እምበኣር ብመገዱ ንምኻድን ንእኡ ንምፍራህን፡ ትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ሓሉ።
   7እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ናብ ጽብቕቲ ምድሪ ኸእትወካ እዩ እሞ፡ ወሓዝቲ ማያት ኣብ ሽንጭሮታትን ኣብ ኣኽራንን ዝፍልፍሉ ዓይኒ ማያትን ዔላታትን ዘለዋ፡ 8ምድሪ ስርናይን ስገምን ወይንን በለስን ሮማንን፡ ምድሪ ናይ ዘይቲ ኣውልዕን መዓርን፡ 9እንጌራ ድኽነት ዘይትበልዓላ፡ ገለ እኳ ዘይጐድለካ ምድሪ፡ ኣእማና ሓጺን፡ ካብ ኣኽራና ድማ ኣስራዚ እትዅዕተላ ምድሪ። 10ክትበልዕን ክትጸግብን ኢኻ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸኣ፡ እታ ጽብቕቲ ምድሪ ስለ ዝሃበካ፡ ከተመስግኖ ኢኻ። 11ነዚ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ትእዛዛቱን ፍርድታቱን ሕጋጋቱን፡ ብዘይ ምሕላውካ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸይትርስዖ፡ ንርእስኻ ተጠንቀቕ። 12በሊዕካ ምስ ጸገብካን ጽቡቓት ኣባይቲ ሰሪሕካ ምስ ተቐመጥካየንን፡ 13ኣሓኻን ኣባጊዕካን ምስ ሰሰና፡ ብሩርን ወርቅን ከኣ ምስ በዝሓልካ፡ ዘሎካ ዅሉ ድማ ምስ በዝሐ፡ 14ሽዑ ልብኻ ከይዕበ እሞ ነቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ ኻብ ቤት ባርነት ዘውጽኣካ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸይትርስዕ፡ 15በቲ ዝነዱ ኣትማንን ዕንቅርቢታትን ዘለውዎ፡ ማይ ብዘይብሉ ኣጻምእ ገፊሕን ዘፍርህን በረኻ ዝመርሓካ፡ ካብ ጽኑዕ ከውሒ ማይ ዘውጽኣልካ፡ 16ኣብ በረኻ፡ ኣቦታትካ ዘይፈለጥዎ ማና ዘብልዓካ፡ እዚ ኸኣ ምእንቲ ኸዋርደካን ክፍትነካን ኣብ መወዳእታውን ከጸብቐልካ ኢሉ እዩ። 17ብልብኻ፡ ሓይለይን ጽንዓት ኢደይን እዚ ዅሉ ሃብቲ ደለበለይ፡ ከይትብል እዩ። 18ከምዚ ናይ ሎሚ ነቲ ነቦታትካ ዝመሓለሎም ኪዳን ከቕውም፡ ሃብቲ ኽትድልብ ሓይሊ ዝህበካስ፡ ንሱ እዩ እሞ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዘክር።
   19ክኸውን ድማ እዩ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላክካ እንተ ረሳዕካ፡ ደድሕሪ ኻልኦት ኣማልኽቲ ኸኣ እንተ ሰዓብካን እንተ ኣምለኽካዮምን፡ እንተ ሰገድካሎምን ከኣ፡ ብርግጽ ከም እትጠፍኡ፡ ሎሚ እምስክረልኩም ኣሎኹ። 20ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ስለ ዘይሰማዕኩም፡ ከምቶም እግዚኣብሄር ካብ ቅድሜኹም ዘጥፍኦም ህዝብታት፡ ከምኡ ኽትጠፍኡ ኢኹም።

        ዘዳግም  ምዕራፍ 9            

   1-2ዎ እስራኤል፡ ስማዕ፡ ሎሚ ንስኻ ንዮርዳኖስ ክትሳገሮ ኢኻ እሞ ካባኻ ዝዓብዩን ዝሕይሉን ህዝብታት፡ ክሳዕ ሰማይ ዝበጽሓ እተዓርዳ ዓበይቲ ኸተማታት፡ ዓብይን ነዊሕን ህዝቢ፡ ደቂ ዓናቅ፡ ንስኻ እትፈልጦም፡ ብዛዕባኦም ድማ፡ ኣብ ቅድሚ ደቂ ዓናቅ መን ደው ክብል ይኽእል፧ ክበሃል ዝሰማዕካ፡ ክትወርሶም ክትኣቱ ኢኻ። 3እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ ንሱ ኸም ዝባላዕ ሓቂ ቐቅድሜኻ ኸም ዝሓልፍ ከኣ፡ ሎሚ ፍለጥ። ንሱ ኸጥፍኦም እዩ፡ ንሱ ኸኣ ኣብ ቅድሜኻ ኸዋርዶም እዩ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር እተዛረበካ፡ ከተውጽኦም፡ ቀልጢፍካ ድማ ከተጽንቶም ኢኻ። 4እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኻብ ቅድሜኻ ምስ ሰጐጎም ድማ፡ ብልብኻ፡ ጻድቕ ብምዃነይ እግዚኣብሄር ነዛ ምድሪ እዚኣ ኽወርሳ ኣእትወኒ፡ ኣይትበል። ነዞም ህዝብታት እዚኣቶም እግዚኣብሄር ካብ ቅድሜኻ ዝሰጎም ዘሎስ ሕሱማት ብምዃኖም ደኣ እዩ። 5ብጽድቅኻን ብቕንዕና ልብኻን ኣይኰንካን ንስኻ ንምድሮም እትኣትዋን እትወርሳን ዘሎኻ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ነዞም ህዝብታት እዚኦም ካብ ቅድሜኻ ዝሰጎም ዘሎ፡ በቲ ሕሱም ዝገበርዎ፡ ድማ እቲ እግዚኣብሄር ነቦታትካ፡ ንኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን፡ ዝመሓለሎም ነገር ምእንቲ ከቕውም ደኣ እዩ። 6ተሪር ክሳድ ህዝቢ ኢኻ እሞ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ ነዛ ጽብቕቲ ምድሪ እዚኣ ስለ ጽድቅኻ ርስቲ ገይሩ ኸም ዘይሃበካ፡ ፍለጥ።
   7ዘክር፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣብ በረኻ ኸመይ ከም ዘዀሬኻዮ፡ ኣይትረስዕ። ካብታ ኻብ ሃገር ግብጺ ዝወጻእካላ መዓልቲ ጀሚርካ፡ ናብዛ ስፍራ እዚኣ ኽሳዕ እትመጹ፡ ንእግዚኣብሄር ዓሎኹምዎ። 8ኣብ ሆሬብ ድማ ንእግዚኣብሄር ኣዀሬኹምዎ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ተናዲዱኩም ከጥፍኣኩም ደለየ። 9ነተን ጽላት እምኒ፡ ናይቲ እግዚኣብሄር ምሳኻትኩም ዝኣተዎ ኪዳን፡ እቲ ጽላት ክቕበል ናብቲ ኸረን ምስ ደየብኩ፡ ኣብቲ ኸረን እንጌራ ኸይበላዕኩ ማይ ከይሰቴኹ ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ተቐመጥኩ። 10እግዚኣብሄር ድማ፡ በጻብዕ ኣምላኽ እተጻሕፉ ኽልተ ጽላት እምኒ ሃበኒ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር በታ መዓልቲ ኣኼየባ ኣብቲ ኸረን ካብ ማእከል ሓዊ ምሳኻትኩም እተዛረቦ ዅሉ ቓላት ከኣ ኣብአን ተጽሒፉ ነበረ። 11ኰነ ኸኣ፡ ኣብ መወዳእታ እተን ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን እግዚኣብሄር እተን ክልተ ጽላት እምኒ፡ ጽላት ኪዳን፡ ሃበኒ። 12እግዚኣብሄር ድማ፡ እቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻእካዮ ህዝብኻ ንርእሱ ኣባላሽዩ፡ ካብቲ ዝኣዘዝክዎም መገዲ ቐልጢፎም ኣግሊሶም፡ ዝፈሰሰ ምስሊ ገይሮም እዮም እሞ፡ ተንስእ፡ ቀልጢፍካ ውረድ፡ በለኒ። 13እግዚኣብሄር ከኣ፡ እዚ ህዝቢ እዚ ርእየዮ ኣሎኹ፡ እንሆ፡ ንሱ ተሪር ክሳድ ህዝቢ እዩ። 14ከጥፍኦም፡ ስሞምውን ካብ ትሕቲ ሰማይ ክድምስስ ሕደገኒ፡ ንኣኻ ድማ ካባታቶም ዝሕይልን ዝበዝሕን ህዝቢ ኽገብረካ እየ፡ ኢሉ በለኒ። 15ተመሊሰ ኸኣ ካብቲ ኸረን ወረድኩ፡ እቲ ኸረን ድማ ብሓዊ ይነድድ ነበረ፡ እተን ክልተ ጽላት ኪዳን ከኣ ኣብ ክልቲኤን ኢደይ ነበራ። 16ጠመትኩ ድማ፡ እንሆ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም በደልኩም፡ ንኣኻትኩም ዝፈሰሰ ምራኽ ገበርኩም፡ ካብቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዘኩም መገዲ ቐልጢፍኩም ኣግለስኩም። 17እተን ክልተ ጽላት ሓዝኩ፡ ካብ ክልቲኤን ኢደይ ደርብየ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኹም ሰበርክወን። 18-19በቲ እግዚኣብሄር ብኣኻትኩም ነዲሩ ኰርይዎ ዝነበረ ዅራ ኸየጥፍኣኩም ፈራህኩ እሞ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ዝዀነ ምእንቲ ኸተዀርይዎ ዝገበርኩምዎ ዅሉ ሓጢኣት፡ ከምቲ ቐዳማይ፡ እንጌራ ኸይበላዕኩ ማይ ከይሰቴኹ፡ ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ተደፋእኩ። በታ ግዜ እቲኣውን እግዚኣብሄር ሰምዓኒ። 20ንኣሮን ድማ እግዚኣብሄር ኣዝዩ ተቘጥዖ፡ ከጥፍኦውን ደለየ። በታ ግዜ እቲኣ ድማ ምእንቲ ኣሮን ለመንኩ። 21ነቲ ዝገበርኩምዎ ሓጢኣትኩም፡ ነቲ ምራኽ ወሲደ ብሓዊ ኣንደድክዎ፡ ቀጥቂጠ ኸም ተጐጓ ኽሳዕ ዝኸውን፡ ኣድኪመ ጠሓንክዎ፡ ነቲ ተጐጓ ኸኣ ናብቲ ኻብቲ ኸረን ዝወርድ ርባ ደርቤኽዎ።
   22ኣብ ታብዔራን ኣብ ማሳን ኣብ ቂብሮትሂታኣባ ድማ ንእግዚኣብሄር ኣዀሬኹምዎ። 23እግዚኣብሄር ድማ፡ ደይቡ እሞ ነታ ዝህበኩም ምድሪ ውረስዋ፡ ኢሉ ኻብ ቃዴስ-ባርኔዓ ምስ ለኣኸኩም፡ ሽዑ ንትእዛዝ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዓሎኹምዎ ኣይኣመንኩምዎን ቃሉውን ኣይሰማዕኩምን። 24ካብታ ዝፈለጥኩኹም መዓልቲ ንነጀው ንእግዚኣብሄር ዓለውቲ ኢኹም ዝነበርኩም።
   25እግዚኣብሄር፡ ከጥፍኦም እየ፡ ኢሉ ስለ ዝነበረ፡ በተን ተደፊኤለን ዝነበርኩ ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ተደፋእኩ። 26ንእግዚኣብሄር ድማ ለመንክዎ፡ በልኩውን፡ ኣታ እግዚኣብሄር ጐይታይ፡ ነቲ ብዕቤትካ ዘድሓንካዮ፡ ብሓያል ኢድካውን ካብ ግብጺ ዘውጻእካዮ ህዝብኻን ርስትኻን ኣይተጥፍእ። 27ንኣብርሃምን ንይስሃቅን ባሮትካ ዘክር። ናብ ናይ እዚ ህዝቢ እዚ ህልኽን ምሕሳምን ሓጢኣትን ኣይትጠምት። 28እታ ኻብኣ ዘውጻእካና ሃገር፡ እግዚኣብሄር ናብታ ዘተስፈዎም ሃገር ከእትዎም ስለ ዘይከኣለን ስለ ዝጸልኦምን፡ ምእንቲ ኣብ በረኻ ኽቐትሎም ኣውጽኦም፡ ከይትብል፡ 29እዚኣቶምሲ ብዓብዪ ሓይልኻን ብዝርግሕቲ ቕልጽምካን ዘውጻእካዮም ህዝብኻን ርስትኻን እዮም።

        ዘዳግም  ምዕራፍ 10           

   1በታ ግዜ እቲኣ እግዚኣብሄር በለኒ፡ ከምተን ቀዳሞት ዝበላ ኽልተ ጽላት እምኒ ጽረብ እሞ ናባይ ናብ ከረን ደይብ፡ ካብ ዕጨይቲ ድማ ታቦት ግበር። 2እቲ ኣብተን ዝሰበርካየን ቀዳሞት ጽላት ዝነበረ ቓላት ከኣ ኣብዘን ጽላት እዝኤን ክጽሕፎ እየ፡ ናብቲ ታቦት ድማ ከተንብረን ኢኻ። 3ካብ ዕጨይቲ ሽጢም ከኣ ታቦት ገበርኩ፡ ከምተን ቀዳሞት ዝበላ ኽልተ ጽላት እምኒውን ጸረብኩ፡ ንኽልቲኤን ጽላት ኣብ ኢደይ ሒዘ ኸኣ ናብቲ ከረን ደየብኩ። 4እግዚኣብሄር በታ መዓልቲ ኣኼየባ ኣብቲ ኸረን ካብ ማእከል ሓዊ ነጊረኩም ዝነበረ፡ ከምቲ ቐዳማይ ዝበለ ጽሕፈት ዓሰርተ ቓላት ኣብተን ጽላት ጸሓፈን። እግዚኣብሄር ድማ ንኣይ ሃበኒ። 5ተመሊሰ ኸኣ ካብቲ ኸረን ወረድኩ፡ ነተን ጽላት ድማ ኣብቲ ዝገበርክዎ ታቦት ኣንበርክወን። ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዘኒ ኸኣ ኣብኡ ተነብራ።
   6ደቂ እስራኤል ድማ፡ ካብ ብኤሮት-ብኔያዕቃን ናብ ሞሴራ ተጓዕዙ። ኣሮን ኣብኡ ሞተ። ኣብኡውን ተቐብረ። ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ኣልኣዛር ካህን ኰነ። 7ካብኡ ድማ ንጉድጎዳ፡ ካብ ጉድጎዳውን ንዮጥባታ፡ ምድሪ ወሓዝቲ ማያት፡ ተጓዕዙ።
   8በታ ግዜ እቲኣ እግዚኣብሄር ንነገድ ሌዊ፡ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ክጸውር፡ ኣብ ቅድሚ ገጽ እግዚኣብሄር ክቐውም፡ ንእኡ ኸገልግል፡ ክሳዕ ሎሚ ድማ ብስሙ ኽምርቕ፡ ፈለዮ። 9ስለዚ ንሌዊ ምስ ኣሕዋቱ ግደ ወይ ርስቲ የብሉን። ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እተዛረቦ፡ ርስቱስ እግዚኣብሄር እዩ።
   10ኣነ ድማ ኣብቲ ኸረን ከምተን ቀዳሞት መዓልትታት ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ቈምኩ። በዛ ግዜ እዚኣ ድማ እግዚኣብሄር ሰምዓኒ፡ እግዚኣብሄር ከጥፍኣካ ኣይፈተወን። 11እግዚኣብሄር ከኣ፡ ናብታ ታቦታቶም ክህቦም ዝመሓልኩሎም ምድሪ ኽኣትዉን ክወርስዋንሲ፡ ተንስእ፡ ኪድ ቀቅድሚ እቲ ህዝቢ ተጐዓዝ፡ በለኒ።
   12-13ዎ እስራኤል፡ ሕጂኸ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኽትፈርሆ፡ ብዅሉ መገዱ ኽትመላለስ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ድማ ከተፍቅሮ፡ ብዅሉ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ከተገልግሎ፡ ምእንቲ ኽጽብቐልካ፡ እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ናብ እግዚኣብሄር ትእዛዛትን ሕጋጋቱን ክትሕሉ እንተ ዘይኰይኑስ፡ እግዚኣብሄር ካባኻ ዝደልዮ እንታይ እዩ፧ 14እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ እንሆ፡ ሰማያትን ሰማየ ሰማያትን ምድርን ኣብኣ ዘሎ ዅሉን ናቱ እዩ። 15ድላዩ ነቦታትካ ጥራይ ነበረ እሞ፡ ፈተዎም፡ ብድሕሪኦም ድማ፡ ከምዚ ናይ ሎሚ ንኣኻትኩም ንዘርኦም ካብ ማእከል ኵሎም ህዝብታት ሓረየኩም። 16እምበኣርሲ ንስኻትኩም ዕልቦ ልብኹም ግዘሩ፡ ክሳድኩምውን ደጊም ኣይተትርሩ። 17እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፡ ንሱ ኣምላኽ ኣማልኽቲ፡ ጐይታ ጐይተት፡ እቲ ዓብዪ፡ እቲ ሓያል፡ እቲ ዘፍርህ ኣምላኽ፡ ገጽ ርእዩ ዘየዳሉ፡ መማለዲ ኸኣ ዘይቅበል እዩ። 18ንሱ ንዘኽታማትን መበለታትን ፍትሒ የውጽእ፡ ንስደተኛውን ይፈቱ፡ እንጌራን ክዳንን ከኣ ይህቦ። 19ንስኻትኩም ድማ ኣብ ምድሪ ግብጺ ስደተኛታት ኔርኩም ኢኹም እሞ፡ ስደተኛ ፍተዉ። 20ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ፍርሃዮ፡ ንእኡ ኣምልኽ፡ ናብኡ ኸኣ ተጸጋዕ፡ ብስሙውን ምሓል። 21ንሱ ውዳሴኻ እዩ፡ እቲ ብዓይንኻ ዝርኤኻዮ ዓብይን ዘፍርህን ነገር ዝገበረልካ ኣምላኽካ ድማ ንሱ እዩ። 22ኣቦታትካ ሰብዓ ነፍሲ ኸለዉ፡ ናብ ግብጺ ወረዱ፡ ሕጂ ኸኣ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምብዛሕካ ኸም ከዋኽብቲ ሰማይ ገበረካ።

        ዘዳግም  ምዕራፍ 11            

   1ደጊም ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣፍቅሮ፡ እቲ ሓልዎ ዝበለካ ሕጋጋቱን ፍርድታቱን ትእዛዛቱን ወርትግ ሓሉ። 2ነቶም መግናሕቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዘይፈለጡን ዘይረኣዩን ደቅኹም ኣይኰንኩን ዝዛረብ ዘሎኹ እሞ፡ ነቲ ዕቤቱን ሓያል ኢዱን ዝርግሕቲ ቕልጽሙን ሎሚ ፍለጡ። 3እቲ ኣብ ማእከል ግብጺ ኣብ ፈርኦን ንጉስ ግብጽን ኣብ ብዘላ ሃገሩን ዝገበሮ ትእምርትታቱን ግብርታቱን። 4ኣብ ሰራዊት ግብጽን ኣብ ኣፍራሶምን ሰረገላታቶምን ዝገበሮ ድማ፡ እቲ ኽሰጉኹም ከለዉ፡ እቲ ማይ ባሕሪ ኤርትራ ናብ ልዕሊኦም ከም ዝደፈኖም፡ ክሳዕ ሎሚ ድማ ከም ዘጥፍኦም፡ 5ንኣኻትኩም ከኣ ናብዛ ቦታ እዚኣ ኽሳዕ እትበጽሑ፡ እቲ ኣብ በረኻ ዝገበሮ፡ 6ኣብ ዳታንን ኣቢራምን፡ ደቂ ኤልያብ ወዲ ሮቤል፡ ዝገበሮ ድማ፡ ምስ ስድራ ቤቶምን ድንኳውንቶምን ምስ ኵሉ ዝስዕቦም ዝነበረ ህያውን፡ ኣብ ማእከል ኵሉ እስራኤል እታ ምድሪ ኣፋ ኸፊታ ኸም ዝወሓጠቶም፡ ሎሚ ፍለጡ። 7ከመይሲ እቲ እግዚኣብሄር ዝገበሮ ዅሉ ዓበይቲ ግብርታት በዒንትኹም ርኢኹም። 8-9ስለዚ ምእንቲ ኽትሕይሉን ናብታ ኽትርስተይዋ እትሳገርዋ ዘሎኹም ምድሪ ኽትኣትውዋን፡ ኣብታ ጸባን መዓርት እተውሕዝ ምድሪ፡ እታ እግዚኣብሄር ነቦታትኩምን ንዘርኦምን ክህቦም ዝመሓለሎም ምድሪ መዓልትታትኩም ክነውሕ፡ እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘሎኹ ዅሉ ትእዛዝ ሓልዉ። 10እታ ኽትወርሳ እትኣትዋ ምድሪ ከምታ ኻብኣ ዝወጻእኩምላ ምድሪ ግብጺ ነቲ ኣብኣ ዝዘራእካዮ ዘርኢ ኸም ኣታኽልቲ ሓምሊ ብእግርኻ እተስትዮ ኣይኰነትን። 11እታ ኽትወርስዋ እትሳገርዋ ዘሎኹም ምድርስ፡ ካብ ሰማይ ዝዘነመ ማይ እትሰቲ ምድሪ ኣኽራንን ለሴታትን እያ፡ 12ንሳስ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝከናኸና ሃገር፡ ካብ መጀመርታ ዓመት ክሳዕ መወዳእታ ዓመት ከኣ ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ወርትግ ኣብኣ እየን።
   13ክኸውን ድማ እዩ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከተፍቅርዎ፡ ብዅሉ ልብኹምን ብዅሉ ነፍስኹምን ድማ ከተገልግልዎ፡ ነዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘሎኹ ትእዛዛት ኣጸቢቕኩም እንተ ትሰምዕዎ፡ 14ስርናይካን ወይንኻን ዘይትኻን ምእንቲ ኽትእክብ፡ ዝናም ምድርኹም በብግዜኡ፡ ዝናም ጽድያን ጽብሓትን ክህበኩም እየ። 15ኣብ ግራሁኻ ድማ ንማልካ ሳዕሪ ኽህበን እየ፡ ክትበልዕን ክትጸግብን ኢኻ። 16-17ሽዑ ልብኹም ከይስሕት፡ ኣግሊስኩም ድማ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸይተምልኹን ከይትሰግዱሎምን፡ ኵራ እግዚኣብሄር ከኣ ኣባኻትኩም ከይነድድ፡ ንሰማይ ከየዝንም ከይዓጽዎ እሞ ምድሪ ፍሬኣ ኽይትኸልእ፡ ንስኻትኩም ድማ ካብታ እግዚኣብሄር ዝህበኩም ጽብቕቲ ምድሪ ቐልጢፍኩም ከይትጠፍኡስ፡ ንርእስኹም ተጠንቀቑ።
   18እምበኣር ነዚ ቓላተይ እዚ ኣብ ልብኹምን ኣብ ነፍስኹምን ኣንብርዎ፡ ንምልክት ከኣ ኣብ ኣእዳውኩም እሰርዎ፡ ኣብ መንጎ ኣዒንትኹም ድማ ክታብ ይኹን። 19ኣብ ቤትካ ኾፍ ምስ በልካን ኣብ መገዲ ኽትከይድ ከሎኻን ኣብ በጥ ምባልካን፡ ኣብ ምትንሳእካን ብእኡ እናተዛረብኩም፡ ንደቅኹም ምሃርዎም። 20ኣብ ልዳት ቤትካን ኣብ ማዕጾኻን ከኣ ጽሓፎ። 21እዚ ድማ ኣብታ እግዚኣብሄር ነቦታትኩም ክህቦም ዝመሓለሎም ምድሪ መዓልትታትኩምን መዓልትታት ደቅኹምን ከም መዓልትታት ሰማይ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ምእንቲ ኽበዝሓ እዩ። 22እዚ ኣነ ዝእዝዘኩም ዘሎኹ ዅሉ ትእዛዛት ክትገብርዎ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከኣ ከተፍቅሩ፡ ብዅለን መገድታቱ ኽትከዱን ናብኡ ኸኣ ክትለግቡን፡ ተጠንቂቕኩም እንተ ሓሎኹምዎ፡ 23ሽዑ እግዚኣብሄር ነዞም ህዝብታት እዚኣቶም ኵሎም ካብ ቅድሜኹም ክሰጎም እዩ፡ ንስኻትኩምውን ካባኻትኩም ንዝዓብዩን ንዝሕይሉን ህዝብታት ክትወርሱ ኢኹም። 24እግርኹም ዝረገጻ ዘበለት ቦታ ናትኩም ክትከውን እያ፡ ዶብኩም ካብ በረኻ ክሳዕ ሊባኖስ፡ ካብቲ ርባ፡ ርባ ኤፍራጥስ፡ ክሳዕ ባሕሪ ምዕራብ ክኸውን እዩ። 25ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝበለኩም፡ ናብ እትኸድዋ ዘበለት ምድሪ ፍርሃትኩምን ስምባድኩምን ክሰድድ እዩ እሞ፡ ሓደ ሰብ እኳ ኣብ ቅድሜኹም ደው ዝብል የልቦን።
   26እንሆ፡ ሎሚ ምርቓን መርገምን ኣብ ቅድሜኹም ኤንብር ኣሎኹ፡ 27እቲ ምርቓ፡ እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘሎኹ ትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እንተ ሰማዕኩም እዩ። 28እቲ መርገም ድማ፡ ትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እንተ ዘይሰማዕኩም፡ ካብዛ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘሎኹ መገዲ እንተ ዘበልኩም፡ ደድሕሪ ዘይትፈልጥዎም ካልኦት ኣማልኽቲ ኸኣ እንተ ሰዓብኩም እዩ።
   29ክኸውን ድማ እዩ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ናብታ ኽትወርሳ እትኸዳ ዘሎኻ ምድሪ ምስ ኣእተወካ፡ ነቲ ምርቓ ኣብ ከረን ጌሪዞም፡ ነቲ መርገም ከኣ ኣብ ከረን ዔባል ኴንካ ንገር። 30ንሱ ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ብኽንየው እታ ብምዕራብ ጸሓይ ዘላ መገዲ፡ ኣብ ምድሪ እቶም ኣብ መንጽር ጊልጋል ዘሎ ጐልጐል፡ ኣብ ጥቓ ድዋታት ሞሬ ዝነብሩ ከነኣናውያንዶ ኣይኰነን፧ 31ነታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝህበኩም ምድሪ ክትወርሱ፡ ዮርዳኖስ ሰጊርኩም ክትኣትውዋ ኢኹም እሞ፡ ክትወርስዋን ክትነብርዋን ኢኹም። 32እዚ ኣነ ሎሚ ኣብ ቅድሜኹም ዘንብሮ ዘሎኹ ኵሉ ሕጋጋትን ፍርድታትን ክትገብርዎ ሓልዉ።

        ዘዳግም  ምዕራፍ 12            

   1ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትካ ክትወርሳ ዝህበካ ምድሪ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ብህይወት እትነብሩለን ኵለን መዓልትታት ኽትገብርዎ እትሕልውዎ ትእዛዛትን ፍርድታትን እዚ እዩ። 2እቶም እትወርስዎም ህዝብታት፡ ኣብ ነዋሕቲ ኣኽራንን ኣብ ኵርባታትን ኣብ ትሕቲ ዅሉ ልምሉም ኦምን ንኣማልኽቶም ዘገልግሉለን ዝነበሩ ቦታታት ፈጺምኩም ኣጥፍእወን። 3መሰውኢታቶም ኣፍርሱ፡ ሓወልትታቶም ድማ ሰባብሩ፡ ጣኦታቶም ከኣ ብሓዊ ኣንድዱ፡ እተወቕረ ምስሊ ኣማልኽቶምውን ኣውድቑ፡ ስሞም ድማ ካብቲ ቦታ እቲ ኣጥፋኡ። 4ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከምኡ ኣይትግበሩ፡ 5ግናኸ ነታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ካብ ኵሎም ነገዳትኩም ስሙ ኸንብረላ ዝሓረያ ቦታ፡ ነዛ ማሕደሩ ድለዩ፡ ናብኣውን ምጻእ። 6ዝሓርር መስዋእትኹምን መስዋእቲ ሕሩድኩምን ዕሽርኩምን ዝለዓል መስዋእትታት ኣእዳውኩምን ናይ መብጽዓኹም ናይ ፍቓድ መባእኩምን በዅሪ ኣሓኹምን ኣባጊዕኩምን ናብኣ ኣምጽኡ። 7ኣብኣ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብልዑ፡ በቲ ኣእዳውኩም ዝዘርጋሕኩምሉ ዘበለ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝባረኸልኩም ንስኻትኩምን ቤተ ሰብኩምን ተሓጐሱ። 8-9ክሳዕ ሕጂ ናብ ዕረፍትን ናብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝህበኩም ርስትን ኣይኣቶኹምን እሞ፡ ከምዚ ሎሚ ኣብዚ እንገብሮ ዘሎና፡ ነፍሲ ወከፍ ከምቲ ቕኑዕ መሲሉ እተራእዮ፡ ኣይትግበሩ። 10ዮርዳኖስ ተሳጊርኩም ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንርስቲ ዝህበኩም ምድሪ ምስ ተቐመጥኩም ግና ምእንቲ ብህድኣት ክትነብሩ፡ ካብቶም ኣብ ዙርያኹም ዘለዉ ጸላእትኹም ምስ ኣዕረፈኩም፡ 11ሽዑ ድማ ክኸውን እዩ፡ ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንማሕደር ስሙ ዝሓረያ ቦታ፡ እዚ ዅሉ ኣነ ዝእዝዘኩም ዘሎኹ ናብኣ ኣምጽኡ፡ ዝሓርር መስዋእትኹምን መስዋእቲ ሕሩድኩምን ዕሽርኩምን ዝለዓል መስዋእትታት ኣእዳውኩምን፡ እቲ ንእግዚኣብሄር እተማባጻዕኩምዎ ሕሩይ መብጽዓኹምውን። 12ንስኻትኩምን ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን፡ ተባዕትዮ ግዙኣትኩምን ኣንስትዮ ግዙኣትኩምን ኣብ ውሽጢ ደጌታትኩም ዘሎ ሌዋዊ ኸኣ፡ ንሱ ምሳኻትኩም ክፍልን ርስትን የብሉን እሞ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ተሓጐሱ። 13ዝሓርር መስዋእትኻ ኣብ ኵሉ ዝርአኻዮ ቦታ ኸይተዕርግ፡ ንርእስካ ተጠንቀቕ። 14ኣብቲ እግዚኣብሄር ኣብ ሓደ ኻብ ነገዳትካ ዝሓረያ ቦታ ደኣ፡ ኣብኣ ዝሓርር መስዋእትኻ ኣዕርግ፡ እዚ ኣነ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ዅሉ ኸኣ ኣብኣ ግበሮ። 15ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝሃበካ በረኸት ከም ድሌት ነፍስኻ ኣብ ኵለን ደጌታትካ ሓሪድካ፡ ስጋ ብላዕ፡ ከም ሰስሓን ከም እራብን፡ ዘይንጹህን ንጹህን ይብልዓዮ። 16ደም ግና ኸም ማይ ናብ ምድሪ ኣፍስሶ እምበር፡ ኣይትብልዑ።
   17ዕሽር ስርናይካን ወይንኻን ዘይትኻን በዅሪ ኣሓኻን ኣባጊዕካን እተማባጻዕካዮ መብጽዓኻን ናይ ፍቓድ ህያብካን ዝለዓል መስዋእቲ ኢድካን ኣብ ውሽጢ ደጌታትካ ኸይትበልዖ ተጠንቀቕ። 18ንስኻን ወድኻን ጓልካን ግዙእካን ግዝእትኻ ናብ ውሽጢ ደጌታትካ ዝነብር ሌዋውን ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝሓረያ ቦታ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ደኣ ብልዓዮ። በቲ ኢድካ ዝዘርጋሕካሉ ዘበለ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ተሓጐስ። 19ኣብ ልዕሊ ምድሪ እትነብረሉ ዅሉ ዘበንካ ንሌዋዊ ኸይትሓድጎ ንርእስኻ ተጠንቀቕ።
   20እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ ከምቲ ዝበለካ፡ ዶባትካ ምስ ኣግፍሐ፡ ነፍስኻውን ስጋ ኽትበልዕ ስለ ዝበሃገት፡ ስጋ ደኣ ኽበልዕ፡ እንተ በልካ፡ ከም ኵሉ ባህጊ ነፍስኻ ጌርካ ስጋ ብላዕ። 21እታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ስሙ ኸንብረላ ዝሓረያ ቦታ እንተ ረሓቐትካ፡ ካብቲ እግዚኣብሄር ዝህበካ፡ ካብ ኣሓኻን ካብ ኣባጊዕካን፡ ሓሪድካ፡ ከምቲ ዝኣዘዝኩኻ ኣብ ውሽጢ ደጌታትካ ኸም ኵሉ ባህጊ ነፍስኻ ብላዕ። 22ሰስሓን እራብን ከም ዝብልዓ ብልዓዮ፡ ርኹስን ንጹህን ከም ሓደ ይብልዕዎ። 23ደም ከይትበልዕ ጥራይ ጽናዕ፡ እቲ ደም ነፍሲ እዩ እሞ፡ ነፍሲ ምስ ስጋ ኣይትብላዕ። 24ከም ማይ ደኣ ናብ ምድሪ ኣፍስሶ እምበር፡ ኣይትብልዓዮ። 25ኣብ ዓይኒ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ምስ ገበርካ፡ ንኣኻ፡ ብድሕሬኻ ከኣ ንደቅካ፡ ምእንቲ ኽጽብቐልካ፡ ኣይትብልዓዮ። 26ሓንትስ እቲ ዘሎካ ቅዱስ ነገርን መብጽዓኻን ሒዝካ ናብታ እግዚኣብሄር ዝሓረያ ቦታ ኺድ። 27ነቲ ዝሓርር መስዋእትኻ፡ ስጋኡን ደሙን፡ ኣብ መሰውኢ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ሰውኣዮ፡ እቲ ደም መስዋእቲ ሕሩድካ ድማ ኣብ መሰውኢ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ይፍሰስ፡ ነቲ ስጋ ኸኣ ብልዓዮ። 28ኣብ ዓይኒ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ጽቡቕን ቅኑዕን ምስ ገበርካ፡ ንኣኻ ብድሕሬኻ ድማ ንደቅኻ፡ ንዘለኣለም ምእንቲ ኽጽብቐልካ፡ እዚ ኣነ ዝእዝዘካ ዘሎኩ ዅሉ ነገር ሓልዎን ስምዓዮን።
   29ነዞም ክትወርሶም እትኸዶም ዘሎኻ ህዝብታት እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኻብ ቅድሜካ ምስ ኣጥፍኦም፡ ንስኻ ኸኣ ንኣታቶም ወሪስካ ኣብ ምድሮም ምስ ተቐመጥካ፡ 30ካብ ቅድሜካ ምስ ጠፍኡ፡ ደድሕሪኦም ብምስዓብካ ኸይትሕንኰል፡ ብዛዕባ ኣማልኽቶም ከኣ፡ እዞም ህዝብታት እዚኣቶም ከመይ ገይሮም ኣማልኽቶም የገልግሉ ነበሩ፧ ኣነ ድማ ከምኡ ኽገብር፡ ኢልካ ኸይትሓትት ተጠንቀቕ። 31ንኣማልኽቶም እቲ እግዚኣብሄር ዝጸልኦ ዘበለ ዅሉ ፍንፉን ነገር ይገብሩሎም ነበሩ፡ ንኣማልኽቶምሲ ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን እኳ ብሓዊ የንድዱሎም ነይሮም እዮም እሞ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸምኡ ኣይትግበረሉ።
   32እዚ ዝእዝዘኩም ዘሎኹ ዅሉ ነገር ክትገብርዎ ተጠንቀቑ። ኣብ ልዕሊኡ ገለ ኣይትወስኹ፡ ካብኡ ኸኣ ገለ ኣይትተንክዮ።

        ዘዳግም  ምዕራፍ 13            

   1ኣብ ማእከል ነብዪ ወይ ሓላም ሕልምታት እንተ ተንስኡ እሞ ምልክት ወይስ ተኣምራት እንተ ሃበካ፡ 2እቲ ምልክት ወይ ተኣምራት ከኣ ከምቲ ዝበለካ እንተ ዀነ፡ ደድሕሪ ዘይትፈልጦም ካልኦት ኣማልኽቲ ንኺድ እሞ ነገልግሎም፡ እንተ በለካ፡ 3ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብዂሉ ልብኹምን ብዂሉ ነፍስኹምን እንተፍቅርዎ እንተ ዄንኩም ምእንቲ ኽፈልጥ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ክፍትነኩም እዩ እሞ ነቲ ነብዪ እቲ ወይ ነቲ ሓላም ሕልምታት እቲ ቓሉ ኣይትስማዕ። 4ደድሕሪ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ስዓቡ፡ ብእኡ ድማ ፍርሁ፡ ትእዛዛቱውን ሓልዉ፡ ቃሉ ድማ ስምዑ፡ ንእኡ ኸኣ ኣገልግሉ ምስኡውን ልገቡ። 5ካብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኽትከዳ ዝኣዘዘካ መገዲ ኸግልሰካ፡ ካብቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘውጽኣኩም፡ ካብ ቤት ባርነት ድማ ዘድሓነኩም እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከዕልወኩም ተዛሪቡ እዩ እሞ፡ እቲ ነብዪ እቲ ወይ እቲ ሓላም ሕልምታት እቲ ይሙት። በዚ ኸምዚ ነቲ ኽፉእ ካብ ማእከልካ ኣርሕቆ።
   6ሓውካ፡ ወዲ እኖኻ፡ ወይ ወድኻ ወይ ጓልካ ወይ ኣብ ሕቑፍኻ ዘላ ሰበይትኻ ወይ ከም ነፍስኻ ዝዀነ ፈታዊኻ፡ ንኺድ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ነምልኽ፡ ኢሉ ብሕቡእ እንተ ሓበለካ፡ ንስኻ ዀነ ኣቦታትካ ዘይትፈልጥዎም፡ 7ካብ ኣማልኽቲ እቶም ካብ ወሰን ክሳዕ ወሰን ምድሪ፡ ኣብ ጥቓኻ ዀነ ወይ ኣብ ርሑቕካ፡ ኣብ ዙርያኹም ዘለዉ ህዝብታት፡ 8ሕራይ ኣይትበሎ፡ ኣይትስምዓዮ፡ ዓይንኻውን ኣይትራሕርሓሉ፡ ኣይትንሓፎ ኸኣ፡ ኣይትሕብኣዮውን። 9ርግጽ ቅተሎ ደኣ፡ ንምቕታሉ ኢድካ ትቐድም፡ ደሓር ኢድ ኲሉ ህዝቢ። 10-11ካብቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ፡ ካብ ቤት ባርነት ዘውጽኣካ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸግልሰካ ደልዩ እዩ እሞ፡ ኣብ ማእከልካ ኸምዚ ዝበለ ኽፉእ ከይድገምሲ፡ ኲሎም እስራኤል ሰሚዖም ክፈርሁ፡ ክመውት ብዳርባ እምኒ ቕተሎ።
   12-13ብዛዕባ ሓንቲ ኻብተን ክትነብረለን እግዚኣብሄር ዝሃበካ ኸተማታት፡ ሕሱማት ሰባት ደቂ ቢልያል ካብ ማእከልካ ወጺኦም፡ ንዘይትፈልጥዎም ካልኦት ኣማልኽቲ ኸነምልኽ ንኺድ፡ ኢሎም፡ ንደቂ ዓዶም ኣስሓቱ፡ ክብሉ እንተ ሰማዕካ፡ 14ሽዑ ድለ፡ መርምር ኣጸቢቕካ ኸኣ ጠይቕ፡ እንሆ ድማ፡ እዚ ፍንፉን ነገር እዚ ኣብ ማእከልካ ኸም እተገብረ፡ ሓቅን ርግጽን እንተ ዀይኑ፡ 15ኣብታ ኸተማ ንዝነብሩ ብስሕለት ሴፍ ኣበርቲዕካ ውቓዕ፡ ንእኣን ኣብኣ ንዘሎ ዂሉን ፈጺምካ ኣጥፍእ፡ ንኸብታውን ብስሕለት ሴፍ ኣጥፍእ። 16ካብኣ እተዘምተ ዘበለ ዂሉ ኣብ ማእከል ኣደባባያ ኣክቦ፡ ነታ ኸተማን ንዂሉ ኻብኣ እተዘምተን ብመላኡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብሓዊ ኣንድድ። ንዘለኣለም ዑና ትኹን፡ መሊሳ ኸኣ ኣይትሰራሕ። 17-18እግዚኣብሄር ካብ ንደት ኲራኡ ምእንቲ ኺምለስን ምሕረት ክገብረልካን ክድንግጸልካን፡ ከምቲ ነቦታትካ ዝመሓለሎም ከኣ ከብዝሓካስ፡ እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ትእዛዛቱ ክትሕሉ፡ እቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ቕኑዕ ዝዀነ ድማ ክትገብር፡ ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እንተ ሰሚዕካስ፡ ካብቲ ሕሩም ነገር ገለ እኳ ኣብ ኢድካ ኣይልገብ።

        ዘዳግም  ምዕራፍ 14            

   1ንስኻትኩምሲ ደቂ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኢኹም። ብዛዕባ ምዉት፡ ኣካልኩም ኣይትብጥሑ፡ ኣብ መንጎ ኣዒንትኹም ኣይትምለጡ። 2ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ እተቐደሰ ህዝቢ ኢኻ እሞ፡ እግዚኣብሄር ድማ ንእኡ ፍሉይ ህዝቢ ኽትኰኖ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኻብ ዘለዉ ዅሎም ህዝብታት ንኣኻ ሓረየካ።
   3ፍንፉን ዘበለ ኣይትብላዕ። 4እትበልዕዎም እንስሳ እዚኣቶም እዮም፡ ብዕራይን በጊዕን ጤልን፡ 5እራብን ሰስሓን ዓገዜንን ድንኵላን ዝዖታን ሜዳቑን ቶራን። 6ጽፍሩ ስንጡቕ፡ ሸዀናኡ ኣብ ክልተ እተመቕለ፡ መጒስዕ ዝመልስ ኵሉ እንስሳ፡ እዞም እንስሳ እዚኣቶም ብልዑ። 7መጕስዕ ካብ ዝመልሱ፡ ሸዀናኦም ካብ እተመቕለ፡ እዚኣቶም ኣይትብልዑ፡ ገመልን ማንትለን ግሔን፡ እዚኣተን መጕስዕ ይመልሳ እየን፡ ሸዀናኤን ግና ኣይተመቕለን እሞ፡ ርዅሳት ይኹናኹም፡ 8ሓሰማ፡ ንሳ ሸዀናኣ ምቑል እዩ፡ ግናኸ ኣይተመጕስዕን እያ፡ ንሳ ንኣኻትኩም ርኽስቲ እያ። ካብ ስጋኣን ኣይትብልዑ፡ ገምበንውን ኣይትተንክዩ።
   9ኣብ ማይ ካብ ዘሎ ዅሉ እትበልዕዎ እዚ እዩ፡ ክንፍን ቅረፍትን ዘለዎ ዅሉ ብልዑ። 10ክንፍን ቅረፍትን ዘይብሉ ግና ኣይትብልዑ፡ እዚ ርኹስ ይኹንኩም።
   11ንጹሃት ዘበላ ዅለን ኣዕዋፍ ብልዑ። 12ካባታተን ከኣ ዘይትበልዕወን እዚኣተን እየን፡ ንስርን ገምብን ወሓጥ ዓሳን፡ 13ሊላን በላዕ ልኻይን ጻዕዳ ኸርሶ በብዓይነቱን፡ 14ኵሉ ኳዅ ድማ በብዓይነቱ፡ 15ሰገንን ጕጕትን ሮብራን ተገዳር ሓረስታይን በብዓይነቱ፡ 16ንእሽቶ ጕንጓን ዓባይ ጕንጓን ቀራን ጕንጓ ድማ፡ 17ቀያሕ ሓሓትን ኣሞራን ሓሓትን፡ 18ራዛን ሰብ ጸራድ በብዓይነቱን ተምበሃረጆን መንካዕን፡ 19ክንፊ ዘልዎ ዅሉ ለመምታ ኸኣ ርኹስ ይኹንኩም፡ ኣይትብልዕዎ። 20ንጹሃት ዘበላ ዅለን ኣዕዋፍ ብልዑ።
   21ንስኻስ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ቅዱስ ህዝቢ ኢኻ እሞ፡ ገለ ሕሉቕ ኣይትብልዑ፡ ኣብ ውሽጢ ደጌኻ ንዘሎ ስደተኛ ሃቦ፡ ንሱ ይብልዓዮ ወይ ናብ ጓና ሽጦ። ንማሕስእ ብጸባ ኣዲኡ ኣይተብስሎ።
   22ካብቲ በብዓመት ካብ ግራትካ ዝወጸ ዅሉ እቶት ዘርእኻ ዕሽር ኣውጽእ። 23ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምፍራህ ወርትግ ምእንቲ ኽትምሃርሲ፡ ነቲ ዕሽር ስርናካን ወይንኻን ዘይትኻን በዅሪ ኣሓኻን ኣባጊዕካን ኣብታ ንማሕደር ስሙ ዝሓረያ ቦታ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብልዓዮ። 24እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምስ ዝባርኸካ፡ እታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ስሙ ኸንብረላ ዝሓረያ ቦታ እንተ ረሓቐትካ እሞ መገዲ ስለ ዝነውሓካ፡ ናብኣ ኸተምጽኦ እንተ ዘይተኻእለካ፡ 25ንገንዘብ ሽጦ፡ እቲ ገንዘብ ኣብ ኢድካ ሒዝካ ኸኣ፡ ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝሓረያ ቦታ ኺድ። 26በቲ ገንዘብ እቲ ነፍስኻ ዝፈተወቶ፡ ላምን በጊዕን ወይንን ዘስክር መስተን ወይ ነፍስካ ዝደለየቶ ዅሉ ትዕድግ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ድማ ኣብኡ ትበልዖ፡ ንስኻን ስድራ ቤትካን ከኣ ትሕጐሱ። 27ነቲ ኣብ ውሽጢ ደጌኻ ዘሎ ሌዋዊ ድማ፡ ምሳኻ ግደን ርስትን የብሉን እሞ፡ ኣይትሕደጎ።
   28ኣብ መወዳእታ ሰሳልሰይቲ ዓመት ካብ ኵሉ ናይ እታ ዓመት እቲኣ እቶትካ ዕሽር ኣውጺእካ፡ ኣብ ውሽጢ ደጌታትካ ኣክቦ። 29እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብዅሉ እትገብሮ ግብሪ ኢድካ ምእንቲ ኽባርኸካስ፡ እቲ ምሳኻ ግደን ርስትን ዘይብሉ ሌዋውን እቶም ኣብ ውሽጢ ደጌኻ ዘለዉ ስደተኛን ዘኽታምን መበለትን ይምጽኡ እሞ ይብልዑን ይጽገቡን።

        ዘዳግም  ምዕራፍ 15            

   1ኣብ መወዳእታ ሸሾብዓተ ዓመት ሕድገት ግበር። 2እቲ ናይ ሕድገት ነገር ከኣ እዚ እዩ፡ ነፍሲ ወከፍ መለቅሒ እቲ ንብጻዩ ዘለቅሐ ይሕደገሉ፡ ናይ እግዚኣብሄር ሕድገት ተኣውጁ እዩ እሞ፡ ካብ ብጻዩን ሓዉን ኣይድለዮ። 3ካብ ጓና ደኣ ድለዮ፡ ኣብ ሓውካ ዘሎካ ግና ሕደገሉ። 4ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ንርስቲ ኽትወርሳ ዝህበካ ምድሪ፡ እግዚኣብሄር ብርግጽ ክባርኸካ እዩ እሞ፡ ድኻ ኣይርከበካን እዩ። 5ሓንትስ፡ እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ዅሉ ትእዛዝ ክትሕልዎን ክትገብሮን፡ ንቓል እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ተጠንቂቕካ ደኣ ስምዓዮ እምበር፡ 6እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ከምቲ ዘተስፈወካ ኽባርኸካ እዩ እሞ፡ ንስኻ ድማ ንብዙሓት ህዝብታት ኸተለቅሕ ኢኻ፡ ንስኻ ግና ኣይትልቃሕን። ንብዙሓት ህዝብታት ድማ ክትገዝእ ኢኻ፡ ንሳቶም ግና ኣይገዝኡኻን።
   7ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝህበካ ምድሪ፡ ኣብ ሓንቲ ኻብ ደጌታትካ ሓደ ኻብ ኣሕዋትካ እንተ ደኸየ፡ ነቲ ድኻ ሓውካ ልብኻ ኣይትጽንዓሉ ኢድካውን ኣይትጨብጠሉ። 8ኢድካ ኣጸቢቕካ ኽፈትሉ፡ እቲ ዘድልዮ ኸኣ ኣእኪልካ ኣለቅሓዮ። 9ኣብ ልብኻ ሓሳብ በሊያል ከይህልወካ ተጠንቀቕ፡ እታ ሳብዐይቲ ዓመት፡ ዓመት ሕድገት፡ ቀሪባ እያ ኢልካ፡ ዓይንኻ ድማ ኣብቲ ድኻ ሓውካ ይኸፍእ እሞ ገለ ኣይትህቦን። ንሱ ከኣ ናብ እግዚኣብሄር ይጠርዓልካ እሞ ሓጢኣት ይዀነካ። 10ፈቲኻ ሃቦ፡ ንእኡ ብምሃብካውን ልብኻ ኣይጕሄ፡ በዚ ምኽንያት እዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብዅሉ ተግባርካን ኢድካ ኣብ ዝዘርጋሕካሉ ዅሉን ክባርኸካ እዩ። 11ድኻታት ኣብ ማእከል ሃገር ኣይስኣኑን እዮም እሞ፡ ስለዚ ነቲ ኣብ ሃገርካ ዘሎ ሓውካን ሽጉርካን ድኻኻን ኢድካ ኣጸቢቕካ ኽፈተሉ፡ ኢለ እእዝዘካ ኣሎኹ።
   12እብራዊ ሓውካ፡ ወይ እብራዊት፡ ኣባኻ እንተ ተሸጠ፡ ሹድሽተ ዓመት ይገዛእካ፡ በታ ሳብዐይቲ ዓመት ካባኻ ሓራ ኣውጺእካሕደጎ። 13ካባኻ ሓራ ኣውጺእካ ኽትሓድጎ ኸሎኻ ድማ፡ ጥራዩ ኣይትስደዶ። 14ካብ መጓሴኻን ካብ ዓውድኻን ካብ መጽመቑ ወይንኻን ለጊስካ ሃቦ። ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝባረኸካ መጠን ሃቦ። 15ንስኻ ድማ ኣብ ምድሪ ግብጺ ባርያ ኸም ዝነበርካ፡ እሞ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸም ዘድሓነካ ዘክር፡ ስለዚ ኣነ ሎሚ እዚ ነገር እዚ እእዝዘካ ኣሎኹ። 16ንሱ ግና፡ ምሳኻ ስለ ዝጠዓሞ፡ ንኣኻን ንቤትካን ፈትዩ ድማ፡ ካባኻ ኣይወጽእን፡ እንተ በለካ፡ 17ክኸውን እዩ፡ መስፈ ውሰድ እሞ እዝኑ ኣብ ማዕጾ ጌርካ ኣንኵሎ ንሓዋሩ ባርያኻ ይኹን። ነታ ባርያኻውን ከምኡ ግበራ። 18ካባኻ ሓራ ምስ እተውጽኦ ኣይኽበድካ፡ ክንዲ ዓስቢ ዓሳብ ዕጽፊ ገይሩ ሹድሽተ ዓመት ኣገልጊሉካ እዩ እሞ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ድማ ብትገብሮ ዅሉ ኽባርኸካ እዩ።
   19ካብ ኣሓኻን ካብ በጊዕካን ኵሉ በዅሪ እተወልደ ተባዕታይ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ቀድሶ። ብበዅሪ ብዕራይካ ኣይትዕየ፡ በዅሪ በጊዕካ ድማ ኣይትቑረጽ። 20ኣብቲ እግዚኣብሄር ዝሓረዮ ቦታ ዓመት ንዓመት ንስኻን ስድራ ቤትካን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዄንካ ብልዓዮ። 21ገለ ጐደሎ እንተለዎ ግና፡ ሓንካስ ወይ ዕውር ወይ ዝዀነ ኽፉእ እንታ ዘለዎ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣይትሰውኣዮ። 22ኣብ ውሽጢ ደጌታትካ ብልዓዮ። ከም ናይ ሰስሓን እራብን፡ ንጹህን ዘይንጹህን፡ ከም ሓደ ይብልዕዎ። 23ሓንትስ ደሙ ኣይትብላዕ፡ ከም ማይ ደኣ ናብ ምድሪ ኣፍስሶ።

        ዘዳግም  ምዕራፍ 16            

   1እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣብ ወርሒ ኣቢብ ካብ ግብጺ ብለይቲ ኣውጺኡካ እዩ እሞ፡ ወርሒ ኣቢብ ሓሉ፡ ፋስጋ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ድማ ኣብዕል። 2ኣብታ እግዚኣብሄር ንማሕደር ስሙ ዝሓረያ ቦታ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኻብ ኣባጊዕካን ኣሓኻን ፋስጋ ሕረድ። 3ሾብዓተ መዓልቲ ድማ ዘይበዅዐ እንጌራ፡ እንጌራ መከራ፡ ምስኡ ብላዕ። ካብ ምድሪ ግብጺ ብታህዋኽ ወጺእካ ኢኻ እሞ፡ ነታ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዝወጻእካላ መዓልቲ ምሉእ ዕድሜኻ ምእንቲ ኽትዝክራ፡ ዝበዅዐ እንጌራ ምስኡ ኣይትብላዕ። 4ሾብዓተ መዓልቲ ኣብ ኵሉ ዶባትካ ብኹዕ ኣይርአ። በታ መጀመርታ መዓልትስ ንምሸታ ኻብ ዝሓረድካዮ ስጋ ኽሳዕ ንግሆ ኣይሕደር። 5ኣብ ዝዀነ ኻብተን እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝህበካ ደጌታትካ፡ ፋስጋ ኽትሓርድ ኣይትኽእልን። 6ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ንማሕደር ስሙ ዝሓረያ ቦታ ደኣ፡ ኣብኣ፡ በታ ኻብ ግብጺ ዝወጻእካላ ግዜ፡ ጸሓይ ክትዓርብ ከላ፡ ፋስጋ ሕረድ። 7ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝሓረያ ቦታ ኣብሲልካ ብልዓዮ። ንጽብሒቱ ድማ ተመሊስካ ናብ ድንኳናትካ ኺድ። 8ሹድሽተ መዓልቲ ዘይበዅዐ እንጌራ ብላዕ፡ እታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ኸኣ ናይ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዓብዪ በዓል ኣኼየባ እያ፡ ገለ ዕዮ ኣይትዕየ።
   9ሾብዓተ ሰሙን ቁጸር፡ ካብታ ዓጺድ እኽሊ እትጅምረላ ሾብዓተ ሰሙን ክትቈጽር ጀምር። 10ከም መጠን እቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝሃበካ በረኸት ከኣ ናይ ፍቓድ መባእ ኢድካ ብምቕራብ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ በዓል ሰሙናት ኣብዕል። 11ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ንማሕደር ስሙ ዝሓረያ ቦታ ንስኻን ወድኻን ጓልካን ግዙእካን ግዝእትኻን ኣብ ውሽጢ ደጌታትካ ዘሎ ሌዋውን ኣብ ማእከልካ ዘለዉ ስደተኛን ዘኽታምን መበለትን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ተሓጐስ። 12ንስኻ ድማ ኣብ ግብጺ ባርያ ኸም ዝነበርካ ዘክር እሞ ነዚ ሕጋጋት እዚ ሓልዎን ግበሮን።
   13ፍርያት ካብ ዓውድኻን ካብ መጽመቑ ወይንኻን ምስ ኣከብካ፡ በዓል ዳስ ሾብዓተ መዓልቲ ኣብዕል። 14ንስኻን ወድኻን ጓልካን ግዙእካን ግዝእትኻን ኣብ ውሽጢ ደጌታትካ። ዘለዉ ሌዋውን ስደተኛን ዘኽታምን መበለትን ድማ ብበዓልካ ተሓጐስ። 15እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብዅሉ እቶትካን ብዅሉ ግብሪ ኢድካን ክባርኸካ፡ ንስኻ ድማ ምሉእ ሓጐስ ክትሕጉስ ኢኻ እሞ፡ ኣብታ እግዚኣብሄር ዝሓረያ ቦታ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ መዓልቲ በዓል ኣብዕል።
   16ተባዕታይካ ዘበለ ሰለስተ ሳዕ ኣብ ዓመት፡ በብዓል ቅጫን በብዓል ሰሙናትን ብበዓል ዳስን፡ ኣብታ ንሱ ዝሓረያ ቦታ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ይርአ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርሲ ጥራይ ኢዱ ኣይርአ። 17ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝሃበካ በረኸት፡ ነፍሲ ወከፍ ከምቲ ኣብ ኢዱ ዘሎ ይሃብ።
   18ኣብተን እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝሃበካ ዅለን ደጌታትካ ንነገዳትካ ፈራዶን መኳንንትን ግበሮ። ንህዝቢ ኸኣ ቅኑዕ ፍርዲ ይፍረዱ። 19ፍርዲ ኣይተቕንን፡ ገጽ ርኢኻ ኣይተዳሉ። መማለዲ ድማ ዓይኒ ጠቢባን የዕውር፡ ነገር ጻድቃን ከኣ የቕንን እዩ እሞ፡ መማለዲ ኣይትቀበል። 20ምእንቲ ኽትነብር፡ እታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝህበካ ምድሪ ከኣ ክትወርስሲ፡ ጽድቂ፡ እወ፡ ጽድቂ ስዓብ።
   21ኣብ ጎቦ እቲ ንኣኻ ኢልካ እትገብሮ መሰውኢ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኻብ ዝዀነ ኦም ኣስታርተ ንኣኻ ኣይትትከል። 22እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝጸልኦ ሓወልቲ ኸኣ ኣይተቑም።

        ዘዳግም  ምዕራፍ 17           

   1ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብዕራይ ኰነ በጊዕ ኰነ ጐደሎ ወይ ዝዀነ ኽፉእ ነገር ዘለዎ፡ ንሱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ፍንፉን እዩ እሞ፡ ኣይትሰውኣዮ።
   2ኣብ ማእከልካ ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ ኣብ ሓንቲ ኻብተን እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝህበካ ደጌታትካ ኪዳኑ ብምፍራሱ፡ ኣብ ዓይኒ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኽፉእ ዝገብር እንተ ተረኽበ፡ 3ከይዶም ከኣ ንዘይኣዘዝክዎ ኻልኦት ኣማልኽቲ፡ ንጸሓይ ወይ ንወርሒ ወይ ንዅሎም ሰራዊት ሰማይ እንተ ኣምለኽዎምን እንተ ሰገዱሎምን፡ 4እዚ እንተ ነገሩኻ እሞ እንተ ሰማዕካ፡ ኣጸቢቕካ መርምር፡ ከምዚ ዝበለ ጽያፍ ኣብ እስራኤል ከም እተገብረ፡ ነገሩ ርግጽ ሓቂ እንተ ዀይኑ፡ 5ሽዑ ነቲ እዚ ኽፉእ ነገር እዚ ዝገበረ ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ ናብ ደጌታትካ ኣውጽኣዮ፡ ነቲ ሰብኣይ እቲ ወይ ነታ ሰበይቲ እቲኣ ኽሞቱ ብዳርባ እምኒ ቕተሎም። 6እቲ ዝመውት ብኣፍ ክልተ ምስክር ወይ ሰለስተ ምስክር ይሙት፡ ብኣፍ ሓደ ምስክር ኣይሙት። 7ንምቕታሉ ቅድም ኢድ እቶም ምስክር፡ ደሓር ከኣ ኢድ ኵሉ ህዝቢ ኣብ ልዕሊኡ ይኹን። ንኽፉእ ካብ ማእከልካ ኣርሕቆ።
   8ኣብ ደጌታትካ ብናይ ባእሲ ነገር፡ ኣብ መንጎ ደም ንደም፡ ኣብ መንጎ ባእሲ ንባእሲ፡ ኣብ መንጎ ቑስሊ ንቑስሊ፡ ንምፍራድ ኣዝዩ እንተ ሸገረካ፡ ተንሲእካ ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝሓረያ ቦታ ደይብ፡ 9ናብ ሌዋውያን ካህናትን ናብቲ በተን መዓልታት እቲኤን ዘሎ ፈራድን ኣቲኻ ሕተቶም፡ ንሳቶም ከኣ እቲ ናይ ፍርዲ ነገር ይነግሩኻ። 10ከምቲ ኻብታ እግዚኣብሄር ዝሓረያ ቦታ ዝነገሩኻ ነገር ግበር፡ ከምቲ ዝመሃሩካ ኵሉ ኽትገብር ተጠንቀቕ። 11ከምቲ ዝመሃሩኻ ሕግን ከምቲ ዝነገሩኻ ፍርድን ግበር። ካብቲ ዝገለጹልካ ነገር ንየማን ወይ ንጸጋም ኣይትዝበል። 12ነቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸገልግል ደው ዝብል ካህን ወይ ነቲ ፈራዲ ብትዕቢት ምስማዕ ዝኣቢ ሰብ፡ እቲ ሰብ እቲ ይሙት። ነቲ ኽፉእ ካብ እስራኤል ኣርሕቆ። 13ኵሉ ህዝቢ ድማ ሰሚዑ ኽፈርህ እዩ፡ መሊሱውን ኣይዕበን።
   14ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝህበካ ምድሪ ኣቲኻ ምስ ወረስካያን ምስ ተቐመጥካያን፡ ከምቶም ኣብ ዙርያይ ዘለዉ ዅሎም ህዝብታት፡ ንጉስ ኣብ ልዕለይ ከንግስ እየ፡ እንተ በልካ፡ 15ሽዑ ነቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝሓርዮ ኣብ ልዕሌኻ ኣንግሶ። ሓደ ኻብ ማእከል ኣሕዋትካ ንጉስ ኣብ ልዕሌካ ኣንግስ። ሓውካ ዘይኰነ ጓና ሰብ ኣብ ልዕሌካ ኣይተንግስ። 16ሓንትስ፡ ኣፍራስ ደኣ ኣየብዝሕ: ኣፍራስ ምእንቲ ከብዝሕ ኢሉ ኸኣ፡ ነቲ ህዝቢ ናብ ግብጺ ኣይምለሶ። እግዚኣብሄር፡ ድሕሪ ደጊም ነዛ መገዲ እዚኣ ኣይትመለስዋ፡ ኢሉኩም እዩ። 17ልቡ ኸይሰድዕ ድማ ኣንስቲ ኣየብዝሕ። ወርቅን ብሩርን ከኣ እምብዛ ኣየብዝሕ። 18ይኸውን ድማ፡ ኣብ ልዕሊ ዝፋን መንግስቱ ምስ ተቐመጠ። ካብቲ ኣብ ቅድሚ ሌዋውያን ካህናት ዘሎ ሕጊ ንእኡ ዝኸውን ቀዲሑ ኣብ መጽሓፍ ይጽሓፍ። 19-20ፍርሃት እግዚኣብሄር ኣምላኹ ምእንቲ ኽመሃር፡ ልቡ ኣብ ልዕሊ ኣሕዋቱ ምእንቲ ኽመሃር፡ ልቡ ኣብ ልዕሊ ኣሕዋቱ ምእንቲ ኸይልዓል፡ ካብቲ ትእዛዝ ከኣ ንየማን ኰነ ንጸጋም ከይዘብል፡ ንሱን ደቁን ኣብ ማእከል እስራኤል መዓልትታት መንግስቱ ምእንቲ ኽነውሕ፡ ናይ እዚ ሕጊ እዚ ቓላትን እዚ ትእዛዛት እዝን ተጠንቂቑ ኽገብሮስ፡ ምስኡ ይኹን፡ ኵሉ መዓልቲ ህይወቱ ኸኣ የንብቦ።

        ዘዳግም  ምዕራፍ 18           

   1ነቶም ሌዋውያን ካህናት፡ ንብዘሎ ነገድ ሌዊ፡ ምስ እስራኤል ግደን ርስትን ኣይሃልዎም፡ እቲ ናይ እግዚኣብሄር መስዋእቲ ሓውን ርስቱን ይብልዑ። 2ኣብ ማእከል ኣሕዋቶም ከኣ ርስቲ ኣይሃልዎም፡ ከምቲ ዝበሎም፡ ርስቶምሲ እግዚኣብሄር እዩ። 3ካብቶም መስዋእቲ ሕሩድ ዝስውኡ ህዝቢ ኸኣ ንኻህናት ዝግባእ እዚ እዩ፡ ብዕራይ ኰነ፡ በጊዕ ኰነ፡ ኢድን ምንጋጋታትን ከስዐን ንኻህን ይሃቡ። 4-5ንሱን ደቁን ወርትግ ብስም እግዚኣብሄር ንምግልጋል ክቐውም፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኻብ ኵሎም ነገዳትካ ንእኡ ሓርይዎ እዩ እሞ፡ ቀዳማይ ስርናይካን ወይንኻን ዘይትኻን ቀዳማይ ጸጕሪ በጊዕካንውን ንእኡ ሃቦ።
   6ሓደ ሌዋዊ ኣብ ዝዀነ ኣብ እስራኤል ዝነብር፡ ካብ ሓንቲ ኻብ ደጌታትካ እንተ ወጸ እሞ ብምሉእ ድሌት ልቡ ናብታ እግዚኣብሄር ዝሓረያ ቦታ እንተ መጸ፡ 7ሽዑ ኸምቶም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብኡ ዝቘሙ ሌዋውያን ኣሕዋቱ ብስም እግዚኣብሄር ኣምላኹ የገልግል። 8ብጀካ እቲ ኻብ ናይ ኣቦታቱ እተሸጠ ዝመጾ፡ ግዲኦም ማዕረ ማዕረ ይብልዑ።
   9ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝህበካ ምድሪ ምስ ኣቶኻ፡ ከም ጽያፍ እቶም ህዝብታት እቲኦም ክትገብር ኣይትመሃር። 10ወዱ ወይ ጓሉ ብሓዊ ዘሕልፍ ወይ መውደቒ ዛዕጐል ወይ ብደበናን ብተመንን ዝፈልጥ ወይ ኣስማተኛ፡ 11ወይ ተራጋሚ፡ መናፍስቲ ዝጥይቕ፡ ወይ ጠንቋሊ ወይ ንምዉታት ዝጥይቕ፡ ኣባኻ ኣይረኸብ። 12እዚ ነገርዚ እዚ ዝገብር ኵሉ ኣብ እግዚኣብሄር ፍንፉን እዩ እሞ፡ ብሰሪ እዚ ጽያፍ እዚ ድማ እዩ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኻብ ቅድሜኻ ዝሰጎም። 13ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምሉእ ኩን። 14እቶም ንስኻ እትወርሶም ህዝብታት፡ ነቶም ብደበና ዝፈልጡን ንመውደቕቲ ዛዕጐልን ይሰምዑ፡ ንኣኻ ግን እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸምዚ ዝበለ ኣይፈቐደልካን። 15እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኻብ ማእከልካ፡ ካብ ኣሕዋትካ፡ ከማይ ዝበለ ነብዪ ኸተንስኣልካ እዩ፡ ንእኡ ስምዕዎ። 16ከምቲ ኣብ ሆሬብ ብመዓልቲ ኣኼየባ ኸምዚ ኢልካ ኻብ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝለመንካዮ፡ ምእንቲ ኸይመውት መሊሰ ድምጺ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ኣይሰምዕን፡ እዚ ዓብዪ ሓዊ እዚ ድማ ደጊም ኣይርእን። 17እግዚኣብሄር ከኣ፡ እቲ እተዛረብዎ ጽቡቕ እዩ፡ በለኒ፡ 18ከማኻ ዝበለ ነብዪ ኻብ ማእከል ኣሕዋቶም ከተንስኣሎም እየ፡ ቃለይ ከኣ ኣብ ኣፉ ኸንብር እየ፡ ንሱ ድማ ዝኣዘዝክዎ ዅሉ ኽነግሮም እዩ። 19ይኸውን ከኣ፡ ነቲ ብስመይ ዝዛረቦ ዘረባይ ዘይሰምዕ ሰብ፡ ኣነ ኻብኡ ኽደልዮ እየ። 20እቲ ብድፍረቱ ብስመይ ዘይኣዘዝክዎ ቓል ዝዛረብ ነብዪ፡ ወይ ብስም ካልኦት ኣማልኽቲ ዝዛረብ፡ እቲ ነብዪ እቲ ይሙት፡ 21ብልብኻ ድማ፡ እቲ እግዚኣብሄር ዘይተዛረቦ ነገር ከመይ ጌርና ንፈልጦ፡ እንተ በልካ፡ 22እቲ ነብዪ ብስም እግዚኣብሄር ምስ ተዛረቦ፡ እቲ ነገር እንተ ዘይኰነ፡ እንተ ዘይመጸ፡ እዚ እግዚኣብሄር ዘይተዛረቦ ነገር ምዃኑ ምልክት ይኹንካ። እዚ እቲ ነብዪ ብድፍረት እተዛረቦ እዩ፡ ኣይትፍርሃዮ።

        ዘዳግም  ምዕራፍ 19            

   1ነቶም እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ ምድሮም ዝህበካ ህዝብታት፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምስ ኣጥፍኦም እሞ ምስ ወረስካዮም፡ ኣብ ከተማታቶምን ኣብ ኣባይቶምን ድማ ምስ ተቐመጥካ፡ 2ኣብ ማእከል እታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኽትወርሳ ዝህበካ ምድሪ ሰለስተ ኸተማ ፍለ። 3ንኣኻ መገዲ ጽረግ፡ ነፍሲ ወከፍ ቀታል ነፍሲ ናብኡ ምእንቲ ኽሃድም ድማ፡ ነቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ንርስቲ ዝህበካ ዶብ ምድርካ ኣብ ሰለስተ ምቐሎ። 4ናብኡ ዝሃደመ ቐታል ነፍሲ ምእንቲ ኽድሕን፡ ነገሩ ኸምዚ እዩ፡ ቀደም ጽልኢ ዘይነበሮ እሞ ብዘይ ፍልጠት ንብጻዩ ዝቐተለ፡ 5ዕጨይቲ ክቘርጽ ምስ ብጻዩ ናብ ዱር እንተ ወፈረ፡ ኦም ክቘርጽ ኢሉ፡ ማሕጸ ብኢዱ ወስ እንተ ኣበለ፡ እቲ ሓጺን ካብ ሓኽሊ ነጺሉ፡ ነቲ ብጻዩ እንተ ረኸቦ፡ ንሱ ኸኣ እንተ ሞተ፡ ናብ ሓንቲ ኻብተን ከተማታት እቲኤን ሃዲሙ ድማ ብህይወት ይንበር። 6ቀደም ጽልኢ ስለ ዘይነበሮ፡ ሞት ዘይግብኦ ኽነሱ፡ እቲ ፈዳይ ደም ልቡ ነዲድዎ ኸሎ፡ እቲ ቐታሊ ኸይሰጎ፡ መገዱ ስለ ዝረሓቐ ኸኣ፡ ኣርኪቡ ኸይቀትሎ፡ 7ስለዚ ኣነ፡ ሰለስተ ኸተማ ንኣኻ ፍለ፡ ኢሉ እእዝዘካ ኣሎኹ። 8እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸምቲ ነቦታትካ ዝመሓለሎም፡ ዶብካ ምስ ኣግፍሓልካ፡ እቲ ነቦታትካ ኽህቦም እየ ዝበለ፡ ኵላ እታ ሃገር ምስ ሃበካ፡ 9እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ዅሉ ትእዛዝ እዚ ኽትገብሮ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸተፍቅሮ፡ ወርትግ ድማ ብመገዱ ኽትከይድ እንተ ተጠንቀቕካ፡ ሽዑ ኣብ ልዕሊ እዘን ሰለስተ ኸተማታት እዝኤን ንኣኻ ኻልኦት ሰለስተ ኽትውስኽ ኢኻ። 10እዚ ኸኣ ኣብ ማእከል እታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኽትወርሳ ዝህበካ ምድሪ ንጹህ ደም ምእንቲ ኸይፈስስ እሞ ኣብ ልዕሌኻ ደም ከይከውን እዩ። 11ግናኸ ሓደ ሰብ ንብጻዩ እንተ ጸልኦ፡ ኣድብዩ ጸኒሑ ድማ፡ ተንሲኡ ኽሳዕ ዝመውት እንተ ወቕዖ፡ ናብ ሓንቲ ኻብዘን ከተማታት እዝኤን እንተ ሃደመ፡ 12ሽዑ እቶም ዓበይቲ ኸተማኡ ልኢኾም ካብኡ ይውሰድዎ፡ ኣብ ኢድ እቲ ፈዳይ ደም ድማ ኣሕሊፎም ይሃብዎ፡ ይሙት ከኣ። 13ምእንቲ ኽጽብቐልካ፡ ነቲ ንጹህ ደም ካብ እስራኤል ኣርሕቆ እምበር፡ ዓይንኻ ኣይተናሕስየሉ።
   14ኣብቲ እትወርሶ ርስትኻ፡ ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኽትርስተያ ዝህበካ ምድሪ፡ እቶም ቀዳሞት ዝደወብዎ፡ ዶብ ብጻይካ ኣይተግዕዝ።
   15ኣብ ዝዀነ በደል ወይ ኣብ ዝዀነ ሓጢኣት፡ ኣብ ዝግበር ዘበለ ሓጢኣት፡ ሓደ ምስክር ኣብ ሰብ ኣይቑም። ኵሉ ነገር ብኣፍ ክልተ ምስክር ወይ ብኣፍ ሰለስተ ምስክር ይቑም። 16ሓሳዊ ምስክር ኣብ ሰብ ብገለ ኣበሳ ኽምስክር እንተ ተንስኤ፡ 17ሽዑ ኽልቲኦም ባእሲ ዘለዎም ሰብ ኣብ ቅድሚ ኻህናትን ኣብ ቅድሚ እቶም በተን መዓልትታት እቲኤን ፈራዶ ዝዀኑን፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይቑሙ። 18እቶም ፈራዶ ድማ ኣጸቢቖም ይመርምሩ፡ እንሆ ድማ፡ እቲ ምስክር ሓሳዊ ምስክር እንተ ዀነ እሞ ኣብ ሓዉ ብሓሶት እንተ መስከረ፡ 19ሽዑ ኸምቲ ንሓዉ ኽገብሮ ዝሓሰበ፡ ግበርዎ። ነቲ ኽፉእ ካብ ማእከልካ ኣርሕቕ። 20እቶም ዝተረፉ ኸኣ ኽሰምዑን ኽፈርሁን እዮም እሞ፡ ድሕሪ ደጊም ከምዚ ዝበለ ኽፉእ ነገር ኣብ ማእከልካ ኣይገብሩን። 21ዓይንኻ ኣይተናሕስየሉ፡ ኣብ ክንዲ ነፍሲ፡ ነፍሲ፡ ኣብ ክንዲ ዓይኒ፡ ዓይኒ፡ ኣብ ክንዲ ስኒ፡ ስኒ፡ ኣብ ክንዲ ኢድ፡ ኢድ፡ ኣብ ክንዲ እግሪ፡ እግሪ።

        ዘዳግም  ምዕራፍ 20           

   1ምስ ጸላእትካ ኽትዋጋእ ምስ ወጻእካ፡ ኣፍራስን ሰረገላታትን ካባኻ ዝበዝሕ ህዝብን እንተ ርኤካ፡ ሽዑ እቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘውጽኣካ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምሳኻ እዩ እሞ፡ ኣይትፍርሃዮም። 2ክኸውን ድማ እዩ፡ ናብቲ ውግእ ምስ ቀረብኩም፡ እቲ ኻህን ቀሪቡ ነቲ ህዝቢ ይዛረቦ፡ 3-4ዎ እስራኤል፡ ስማዕ፡ ሎሚ ምስ ጸላእትኹም ክትዋግኡ ቐሪብኩም ኢኹም፡ እቲ ምእንቲ ኸድሕነኩም፡ ምስ ጸላእትኹም ክዋጋእ ምሳኻትኩም ዝኸይድ ከኣ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እዩ እሞ፡ ልብኹም ኣይሸበር፡ ኣይትፍርሁ፡ ኣይትሰምብዱ ድማ፡ ኣብ ቅድሚኦምውን ኣይትጀጅዉ። 5እቶም መኳንንቲ ድማ ንህዝቢ ኸምዚ ኢሎም ኣይዛረቡ። ሓድሽ ቤት ዝሰርሐ ሰብ እሞ ዘየመረቖ መን ኣሎ፧ ኣብቲ ውግእ ከይመውት እሞ ካልእ ሰብ ከየመርቖስ፡ ይኺድ ናብ ቤቱ ይመለስ። 6ወይኒ ዝተኸለ ሰብ እሞ ዘይተሓጐሰሉ መን ኣሎ፧ ኣብ ውግእ ከይመውት፡ ካልእ ሰብ ድማ ከይሕጐሰሉ፡ ይኺድ ናብ ቤቱ ኸኣ ይመለስ። 7ሰበይቲ እተሓጽየ ሰብ እሞ ዘየእተዋ መን ኣሎ፧ ኣብ ውግእ ከይመውት እሞ ካልእ ሰብ ከይወስዳስ ይኺድ፡ ናብ ቤቱውን ይመለስ። 8እቶም መኳንንቲ ኸኣ ነቶም ህዝቢ ወሲኾም ይዛረብዎም፡ ይበሉ ድማ፡ ፈራህ ሰብ ልቡ ዝጀጁ መን ኣሎ፧ ከምቲ ልቡ፡ ልቢ ኣሕዋቱ ከኣ ከይሽበርሲ፡ ይኺድ ናብ ቤቱውን ይመለስ። 9ይኸውን ድማ፡ እቶም መኳንንቲ ነቲ ህዝቢ ተዛሪቦም ምስ ወድኡ፡ ኣብ ርእሲ እቲ ህዝቢ ሓላቑ ሰራዊት ይሽሙ።
   10ንሓንቲ ኸተማ ኽትዋግኣ ኢልካ ምስ ቀረብካ፡ ቅድም ንዕርቂ ጸዎዓያ። 11ይኸውን ድማ፡ ሕራይ ኢሎም ደገ እንተ ኸፈቱልካ፡ ሽዑ ክኸውን እዩ፡ ኣብኣ እተረኽበ ዅሉ ህዝቢ ገባርካ ይኹን እሞ የገልግልካ። 12እትዋግኣካ ደኣ እምበር፡ ዘይትዕረቐካ እንተ ዀነት፡ ሽዑ ኽበባ። 13እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣብ ኢድካ ምስ ሃበካ ድማ፡ ንብዘሎ ተባዕታይ ብስሕለት ሴፍ በሎ። 14ኣንስትን ሕጻናት ማልን ኣብታ ኸተማ ዘሎ ዅሉን ግና፡ ብዘሎ ምርኮኣ ንኣኻ ምርኮ ውሰዶ። እቲ እግዚኣብሄር ኣምላኻ ዝሃበካ ምርኮ ጸላእትካ ኸኣ ክትበልዕ ኢኻ። 15ነተን ካባካ ኣዝየን ዝረሓቓ ዅለን ከተማታት፡ ካብ ከተማታት እዞም ህዝብታት እዚኣቶም ዘይኰና፡ ከምኡ ግበረለን። 16ካብዘን እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ንርስቲ ዝህበካ ኸተማታት እዞም ህዝብታት እዚኣቶም ግና፡ ትንፋስ ዘለዎ ሓደ እኳ ብህይወት ኣይትሕደጎ። 17-18ንሔታውያንን ንኣሞራውያንን ንከነኣናውያንን ንፈረዛውያንን ንሃዋውያንን ንይቡሳውያንን ግና፡ ከምቲ ንኣማልኽቶም ዝገብርዎ ዅሉ ጽያፎም ንምግባር ምእንቲ ኸይምህሩኹም እሞ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከይትብድሉስ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝኣዘዘካ፡ ጠሪስካ ኣጥፍኣዮም።
   19ንሓንቲ ኸተማ፡ ምእንቲ ኽትሕዛ ብዙሕ መዓልቲ ምስ እትኸባ፡ ኣእዋማ ብማሕጸ ኣይተጥፍእ። ካብአን ክትበልዕ ኢኻ እሞ፡ ኣይትቑረጸን። ኣእዋም መሮር፡ ንስኻ እትኸቦም፡ ሰባትዶ እዮም፧ 20እተን ከም ዘይብላዕ ዝፈለጥካየን ኣእዋም ጥራይ ኣጥፍእ፡ ቁረጽ ድማ፡ እታ እትዋግኣካ ኸተማ ኽሳዕ እትወድቕ፡ መኽበቢኣ ስርሓላ።

        ዘዳግም  ምዕራ 21            

   1ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ንርስቲ ዝህበካ ምድሪ እተቐትለ ሰብ ኣብ መሮር ወዲቑ እንተ ተረኽበ፡ ቀታሊኡ ድማ እንተ ዘይተፈልጠ። 2ሽዑ ዓበይትኻን ፈራዶኻን ይውጽኡ፡ ካብቲ እተቐትለ ናብተን ኣብ ዙርያኣ ዘለዋ ኸተማታት ይስፈሩ። 3ክኸውን ድማ እዩ፡ እታ ናብቲ እተቐትለ ዝቐረበት ከተማ፡ እቶም ዓብየቲ እታ ከተማ ዘይዓየየት ኣርዑት ዘይሰሓበት ኣርሒ ይውሰዱ። 4እቶም ዓበይቲ እታ ኸተማ ድማ ነታ ኣርሒ ናብ ዘይዕየን ዘይዝራእን ወሓዚ ርባ የውርደዋ። ኣብቲ ርባ ኸኣ ነታ ኣርሒ ኽሳዳ ይስበርዋ። 5ካህናት ደቂ ሌዊ ድማ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸገልግልዎ ብስሙውን ክባርኹ ሓርይዎም እዩ እሞ፡ ይቕረቡ። ኵሉ ባእስን ኵሉ መፍጋእትን ከኣ ከም ቃሎም ይቑም። 6ናብቲ ቕቱል ዝቐረቡ ዂሎም ዓበይቲ እታ ኸተማ ኣብ ልዕሊ እታ ኣብ ርባ ኽሳዳ እተሰብረት ኣርሒ ኣእዳዎም ይተሓጸቡ፡ 7ይምለሱ ይበሉ ኸኣ፡ ነዚ ደም እዚ ኣእዳውና ኣየፍሰሶን፡ ኣዒንትናውን ኣይረኣያን። 8ዎ እግዚኣብሄር፡ ነዚ እተበጆኻዮ ህዝብኻ እስራኤል ይቕረ በለሉ፡ ንጹህ ደም ድማ ኣብ ማእከል ህዝብኻ እስራኤል ኣይትቑጸር። እቲ ደም ከኣ ይስረየሎም። 9ኣብ ኣዒንቲ እግዚኣብሄር እቲ ቕኑዕ ምስ እትገብር፡ ንስኻ ንጹህ ደም ካብ ማእከልካ ኣርሕቕ።
   10ምስ ጸላእትኻ ኽትዋጋእ ምስ ወጻእካ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ድማ ኣብ ኢድካ ምስ ሃበካ፡ ምስ ማረኽካዮምውን፡ 11ኣብ መንጎ እቶም ምሩኻት መልክዐኛ ሰበይቲ እንተ ርኤኻ እሞ ፈቲኻያ ሰበይትካ ኽትገብራ እንተ ደሌኻ፡ 12ናብ ውሽጢ ቤትካ ኣእትዋ፡ ርእሳ ኸኣ ትላጺ፡ ጽፍራውን ትቑረጽ። 13ነቲ ተኸዲናቶ እተማረኸት ክዳና ድማ ትደርብዩ፡ ኣብ ቤትካ ትንበር፡ ነቦኣን ነዲኣን ከኣ ወርሒ ምሉእ ትብከየሎም። ድሕርዚ ኣእትዋ እሞ ሰብኣያ ኹን ንሳ ድማ ሰበይትኻ ትኹን። 14ክኸውን ድማ እዩ፡ ባህ እንተ ዘይበለትካ፡ ሽዑ ናብ ዝደለየቶ ትኺድ ሕደጋ። ንገንዘብ ግና ከቶ ኣይትሽጣ፡ ኣዋሪድካያ ኢኻ እሞ፡ ከም ባርያ ኣይትግበራ።
   15ንሓደ ሰብኣይ ክልተ ኣንስቲ እንተ ኣለዋኦ፡ እታ ሓንቲ ፍትውቲ እታ ሓንቲ ኸኣ ጽልእቲ፡ እታ ፍትውትን እታ ጽልእትን ደቂ እንተ ወለዳሉ፡ እቲ በዅሪ ኸኣ ወዲ እታ ጽልእቲ እንተ ዀነ፡ 16ክኸውን ድማ እዩ፡ በታ ገንዘቡ ንደቁ ዘውርሰላ መዓልቲ፡ ወዲ እታ ጽልእቲ፡ ንሱ በዅሪ ኸሎ፡ ካብኡ ኣምሪሑ ንወዲ እታ ፍትውቲ በዅሪ ኽገብር ኣይኽእልን። 17ንወዲ እታ ጽልእቲ ካብ ዂሉ ዘለዎ ዕጽፊ ብምሃቡ በዅሪ ምዃኑ የፍልጦ፡ ንሱ መጀመርታ ሓይሉ እዩ እሞ፡ ብዅርነት ንእኡ ይግብኦ።
   18ንሓደ ሰብ ህልኸኛን ዓመጸኛን፡ ቃል ኣቦኡን ቃል ኣዲኡን ዘይሰምዕ ወዲ እንተለዎ፡ እንተ ቐጽዕዎ ድማ ዘይእዘዞም፡ 19ኣቦኡን ኣዲኡን ሒዞም ናብ ዓበይቲ እታ ኸተማኡን ናብ ደገ ቦታኡን የውጽእዎ፡ 20ነቶም ዓበይቲ እታ ኸተማኡ፡ እዚ ወድና እዚ ህልኸኛን ዓመጸኛን እዩ፡ ንቓልና ኣይሰምዕን፡ ህሩፍን ሰካርን እዩ፡ ከኣ ይበልዎም። 21ኵሎም ሰብ እታ ኸተማኡ ብዳርባ እምኒ ይቕተልዎ፡ ይሙት ከኣ። ክፉእ ዘበለስ ካብ ማእከልካ ኣርሕቕ፡ ብዘሎ እስራኤል ከኣ ሰሚዑ ኽፈርህ እዩ።
   22ሰብ ናብ ሞት ዘብጽሕ ኣበሳ እንተ ገበረ እሞ ኣሕሊፍካ ንሞት እንተ ተዋህበ፡ ኣብ ዕጨይቲ ድማ እንተ ሰቐልካዮ፡ 23ነቲ ሬሳኡ ሽዑ መዓልቲ ደኣ ቕበሮ እምበር፡ ኣብ ዕጨይቲ ኣይሕደር። እቲ እተሰቕለ ብእግዚኣብሄር እተረግመ እዩ እሞ፡ ነታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ንርስቲ ዝህበካ ምድሪ ኣይተርክሳ።

        ዘዳግም  ምዕራፍ 22            

   1ናይ ሓውካ ብዕራይ ወይ በጊዕ ጠፊኦም እንተ ርኤኻ፡ ናብ ሓውካ ምለሶም እምበር፡ ካብኦም ኣይትተሓባእ። 2እቲ ሓውካ ኣብ ጥቓኻ እንተ ዘይኮነ ወይ እንተ ዘይፈለጥካዮ፡ ናብ ውሽጢ ቤትካ ኣክቦ፡ እቲ ሓውካ ኽሳዕ ዝደልዮ፡ ምሳኻ ይጽናሕ፡ ሽዑ ምለሰሉ። 3ንኣድጉ ኸምኡ ግበር፡ ብኽዳኑ ኸኣ ከምኡ ግበር፡ ብዝዀነ ናይ ሓውካ ዝጠፍኦ ኣቕሓ፡ ምስ ረኸብካዮ፡ ከምኡ ግበር፡ ክትሕባእ ኣይትኽእልን። 4ኣድጊ ሓውካ ወይ ብዕራይ ኣብ መገዲ ወዲቑ እንተ ርኤኻ፡ ምስኡ ዄንካ ንምትንሳኡ ሓግዞ እምበር፡ ካብኦም ኣይትተሓባእ።
   5ሰበይቲ ኽዳን ሰብኣይ ኣይትከደን፡ ሰብኣይ ከኣ ክዳን ሰበይቲ ኣይከደን፡ ከምዚ ዝገብር ዘበለ ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ፍንፉን እዩ።
   6ንቕድሜኻ ኣብ መገዲ ኣብ ዝዀነ ኦም ወይ ኣብ ምድሪ እንዳ ዑፍ ምስ ጨጨውት ወይ እንቋቑሖ፡ ኣዲኦም ከኣ ነቶም ጨጨውት ወይ እንቋቑሖ ሓቑፋ እንተ ጸንሓትካ፡ ነታ ኣደ ምስ ጨጨውታ ኣይትውሰዳ። 7ምእንቲ ኽጽብቐልካ፡ መዓልትታትካ ኸኣ ክነውሕሲ፡ ነታ ኣደ ትኺድ ሕደጋ፡ እቶም ጨጨውታ ድማ ንኣኻ ውሰዶም።
   8ሓድሽ ቤት ምስ እትሰርሕ፡ ገለ ሰብ ካብኣ እንተ ጸደፈ፡ ንቤትካ ደም ከይተምጽኣላ፡ ንናሕስኻ መጋረዲ ግበረሉ።
   9ኣብ ኣታኽልቲ ወይንኻ፡ እቲ ዝዘራእካዮ ዘርኢ ምስቲ ፍረ ወይኒ ሓቢሩ ኸይቅደስ፡ ክልተ ዓይነት ዘርኢ ኣይትዝራእ 10ብዕራይን ኣድግን ብሓደ ጸሚድካ ኣይትሕረስ። 11ካብ ጸጕርን ልሕጺ እንጣጢዕን ተሓዊሱ እተኣልመ ዓለባ ኣይትከደን።
   12ነቲ እተኸድኖ ኽዳንካ ኣብ ኣርባዕተ መኣዝኑ ዘፈር ግበረሉ፡
   13ሓደ ሰብኣይ ሰበይቲ እንተ ወሰደ፡ ምስ ኣተዋ ኸኣ እንተ ጸልኣ፡ 14ዘነውር ነገር ድማ እንተ ኣሰከማ፡ ነዛ ሰበይቲ እዚኣ ወሰድክዋ፡ ምስ ቀረብክዋ ግና ድንግልና ኣይረኸብኩላን፡ ኢሉ ኽፉእ ስም እንተ ኣውረየላ፡ 15ሽዑ ኣቦ እታ ጓልን ኣዲኣን ምልክት ድንግልና እታ ጓል ወሲዶም ናብ ዓበይቲ እታ ኸተማ ኣብ ደገ የውጽእዋ። 16ኣቦ እታ ጓል ከኣ ነቶም ዓበይቲ ይበሎም፡ ነዚ ሰብኣይ እዚ ጓለይ፡ ሰበይቱ ኽትከውን፡ ሃብክዎ፡ ንሱ ኸኣ ጸልኣ። 17እንሆ ድማ፡ ንጓልካ ድንግልና ኣይረኸብኩላን፡ ኢሉ ዘነውር ነገር ኣሰከማ። ምልክት ድንግልና ጓለይ እዚ እዩ። ነቲ ኽዳና ኸኣ ኣብ ቅድሚ እቶም ዓበይቲ እታ ኸተማ ይዘርግሕዎ። 18ሽዑ እቶም ዓበይቲ እታ ኸተማ ነቲ ሰብኣይ ወሲዶም ይቕጽዕዎ። 19ንድንግል እስራኤል ክፉእ ስም ስለ ዘውረየላ፡ ሚእቲ ሲቃል ብሩር የዕድይዎ፡ ነቦ እታ ጓል ድማ ይሃብዎ። ሰበይቱ ከኣ ትኹን፡ ብዅሉ ዘበኑ ኽፈትሓ ኣይኽእልን። 20እቲ ነገር ሓቂ እንተ ዀነ ግና፡ እታ ጓል ድንግልና እንተ ዘይተረኽባ፡ 21ሽዑ ነታ ጓል ናብ ደገ ቤት ኣቦኣ የውጽእዋ፡ ኣብ ቤት ኣቦኣ ብምምንንዛራ ኣብ እስራኤል ነውሪ ስለ ዝገበረት፡ እቶም ሰብ እታ ኸተማኣ ብዳርባ እምኒ ይቕተልዋ፡ ትሙት። ክፉእ ዘበለስ ካብ ማእከልካ ኣርሕቆ።
   22ሰብኣይ ምስ ምርዕውቲ ሰበይቲ ደቂሱ እንተ ተረክበ፡ እቲ ምስታ ሰበይቲ ዝደቀሰ ሰብኣይን እታ ሰበይትን ክልቲኦም ይሙቱ። ነቲ ኽፉእ ካብ እስራኤል ኣርሕቆ።
   23ኣብ ሰብኣይ እተሓጽየት ድንግል ጓል እንተላ፡ ሰብኣይ ከኣ ኣብ ከተማ ረኺብዋ ምስኣ እንተ ደቀሰ፡ 24እታ ጓል፡ ኣብ ከተማ ኽነሳ ስለ ዘየእወየት፡ እቲ ሰብኣይ ከኣ፡ ሰበይቲ ብጻዩ ስለ ዘነወረ፡ ንኽልቲኦም ናብ ደገ እታ ኸተማ እቲኣ ኣውጺእኩም፡ ክሞቱ ብዳርባ እምኒ ቕተልዎም። ነቲ ኽፉእ ካብ ማእከልካ ኣርሕቆ። 25ግናኸ እቲ ሰብኣይ ነታ ሕጽይቲ ጓል ኣብ መሮር እንተ ረኸባ እሞ ብሓይሊ እንተ ደቀሳ፡ ሽዑ እቲ ዝደቀሳ ሰብኣይ በይኑ ይሙት። 26ነታ ጓል ግና ገለ ኣይትግበራ፡ እዚ ሰብኣይ ንብጻዩ ተንሲኡ ኸም ዝቐተሎ እዩ እሞ፡ እታ ጓልሲ ንሞት ዝኸውን በደል የብላን። 27ኣብ መሮር እዩ ዝረኽባ እምበር፡ ንሳ፡ እታ ሕጽይቲ ጓልሲ፡ ኣእውያ፡ ዘድሕና ግና ኣይነበረን።
   28ሓደ ሰብኣይ ሓንቲ ዘይተሓጽየት ድንግል ጓል እንተ ረከበ እሞ ሒዙ እንተ ደቀሳ፡ እንተ ተረኽቡ ኸኣ፡ 29እቲ ምስኣ ዝደቀሰ ሰብኣይ ነቦ እታ ጓል ሓምሳ ሲቃል ብሩር ይህቦ፡ ኣነዊርዋ እዩ እሞ፡ ሰበይቱ ትዅን። ብዅ ዘበኑ ኽፈትሓ ኣይኽእልን።
   30ሰብ ሰበይቲ ኣቦኡ ኣይውሰድ፡ ወሰን ክዳን ኣቦኡ ኣይቕላዕ።

        ዘዳግም  ምዕራፍ 23            

   1ፍረ ነፍሱ እተቐጥቀጠ ወይ ብልዕቱ እተሰልበ ናብ ማሕበር እግዚኣብሄር ኣይእቶ። 2ድቓላ ናብ ማሕበር እግዚኣብሄር ኣይእቶ። ካብ ናቱ ኽሳዕ ዓስራይ ወለዶ እኳ ናብ ማሕበር እግዚኣብሄር ኣይእቶ።
   3ዓሞናዊ ወይ ሞኣባዊ ናብ ማሕበር እግዚኣብሄር ኣይእቶ። ካብኦም ዓስራይ ወለዶ እኳ ኽሳዕ ዘለኣለም ናብ ማሕበር እግዚኣብሄር ኣይእቶ። 4እዚ ኻብ ግብጺ ምስ ወጻእኩም፡ ኣብ መገዲ እንጌራን ማይን ሒዞም ስለ ዘይተቐበሉኹም፡ ንበላዓም ወዲ ቤዖር ድማ፡ ምእንቲ ኽረግመካ፡ ካብ ጴቶር ናይ ኣራም-ነሃራዪም ብዋጋ ስለ ዘምጽእዎ እዩ። 5እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ስለ ዘፍቀረካ ግና፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ንበላዓም ክሰምዖ ኣይፈተወን፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ነቲ መርገም ናብ ምርቓ ደኣ መለሰልካ። 6ምሉእ ዕድሜካ ንዘለኣለም ሰላሞምን ልምዓቶምን ኣይትድለ።
   7ንኤዶማዊ፡ ሓውካ እዩ እሞ፡ ኣይትፈንፍኖ። ንግብጻዊ፡ ኣብ ሃገሩ ስደተኛ ኔርካ ኢካ እሞ፡ ኣይትፈንፍኖ። 8ካብ ሳልሳይ ወለዶ እተወልዱ ቘልዑኦም ናብ ማሕበር እግዚኣብሄር ይእተዉ።
   9ንጸላእትኻ ኽትወግእ ወጺእካ ምስ እትሰፍር፡ ካብ ክፉእ ዘበለ ዅሉ ተጠንቀቕ። 10ኣባኻ ገለ ብለይቲ ብዝመጾ ነገር ዘይጽሩይ ሰብኣይ እንተሎ፡ ካብ ሰፈር ናብ ወጻኢ ይውጻእ፡ ናብ ውሽጢ ሰፈር ኣይእቶ። 11ይኸውን ድማ፡ ኣጋምሸት ማይ ይተሓጸብ፡ ጸሓይ ምስ ዓረበት ከኣ፡ ናብ ውሽጢ ሰፈር ይእቶ። 12ኣብ ወጻኢ ሰፈር እትወጸሉ ቦታ ይሃሉኻ። 13ምስ መሳርያኻ ድማ ሓንካሾ ሓዝ፡ ይኸውን ድማ፡ ኣብ ወጻኢ ኾፍ ምስ በልካ፡ ብእኡ ጉድጓድ ኽትኵዕት፡ ነቲ ውጽኣትካ ተመሊስካ ኽትከድኖ ኢኻ። 14እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ ምእንቲ ኸድሕነካን ንጸላእትኻ ኣብ ኢድካ ኽህበካን፡ ብማእከል ሰፈርካ ኽሓልፍ እዩ እሞ፡ ገለ ዘሕፍር ነገር ከይርእየልካ፡ ገጹ ኸኣ ካባኻ ኸይመልስ፡ እቲ ሰፈርካ ቅዱስ ይኹን።
   15ካብ ጐይታኡ ሃዲሙ ንእተማዕቈበካ ባርያ ናብ ጐይታኡ ኣሕሊፍካ ኣይትሃቦ። 16ምሳኻ ኣብ ሓንቲ ኻብ ደጌታትካ ዝሓሸቶ ኣብ ዝሓረያ ቦታ ይቀመጥ፡ ኣይተጥቅዓዮ ኸኣ።
   17ካብ ኣዋልድ እስራኤል ኣመንዝራ ኣይትኹን፡ ካብ ኣወዳት እስራኤል ከኣ ኣብ ተባዕታይ ዝምንዝር ኣይኹን። 18ክልቲኦም ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ፍንፉናት እዮም እሞ፡ ኣብ ክንዲ ዝዀነ መብጽዓኻ ዓስቢ ኣመንዝራን ዋጋ ኸልብን ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣይተእቱ።
   19ሓረጣ ገንዘብ ኰነ፡ ሓረጣ እኽሊ ዀነ፡ ብዝሕረጥ ኵሉ ነገር ንሓውካ ኣይተሕርጥ። 20ንጓና ደኣ ኣሕርጥ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣብታ ኽትወርሳ እትኣትዋ ሃገር ኣብ ኵሉ ተግባርካ ምእንቲ ኽባርኸካስ፡ ንሓውካ ኣይተሕርጥ።
   21ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ መብጽዓ ምስ ተማባጻዕካ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብዛዕባኡ ኻባኻ ጸብጻብ ክደሊ እዩ እሞ፡ ሓጢኣት ከይዀነካ፡ ንምፍጻሙ ኣይትደንጒ። 22እንተ ዘይተማባጻዕካ ግና፡ ሓጢኣት የብልካን። 23እቲ ኻብ ከናፍርካ ዝወጸ፡ ከምቲ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብፍቓድካ እተማባጻዕካዮ፡ ኣፍካ እተዛረቦ ሓልዎን ግበሮን።
   24ናብ ኣታኽልቲ ወይኒ ብጻይካ እንተ ኣቶኻ፡ ካብቲ ወይኒ ዊን ከም ዝበለካ፡ ክሳዕ እትጸግብ፡ ብላዕ፡ ናብ ኣቕሓኻ ግና ኣይትግበር። 25ናብ ዘራእቲ ብጻይካ ምስ ኣቶኻ፡ ሰዊት ብኢድካ ቕጸ፡ ማዕጺድ ግና ኣብ ዘራእቲ ብጻይካ ኣይተእቱ።

        ዘዳግም  ምዕራፍ 24            

   1ሓደ ሰብኣይ ሰበይቲ እንተ ወሰደ እሞ እንተ ኣእተዋ፡ ይኸውን ድማ፡ ዘሕፍር ነገር ስለ ዝረኽበላ፡ ኣብ ቅድሚኡ ሞገስ እንተ ዘይረኸበት፡ መጽሓፍ መፍትሒኣ ጽሒፉ ኣብ ኢዳ ይሃባ፡ ካብ ቤቱውን ይስደዳ። 2ካብ ቤቱ ምስ ወጸት ድማ፡ ከይዳ ሰበይቲ ኻልእ ሰብኣይ እንተ ዀነት፡ 3እቲ ኻልኣይ ሰብኣይውን እንተ ጸልኣ፡ መጽሓፍ መፍትሒኣ ጽሒፉ ኣብ ኢዳ እንተ ሃባ፡ ካብ ቤቱ ድማ እንተ ሰደዳ፡ ወይ እቲ፡ ሰበይቱ ኽትኰኖ፡ ዝወሰዳ ኻልኣይ ሰብኣይ እንተ ሞተ፡ 4እንድሕሪ ረኸሰት፡ እቲ ዝሰደዳ ቐዳማይ ሰብኣያ፡ ሰበይቱ ኽትከውን፡ መሊሱ ኽወስዳ ኣይኽእልን። እዚ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ፍንፉን እዩ እሞ፡ ንርስቲ ዝህበካ ምድሪ ሓጢኣት ኣይተምጽኣላ።
   5ሓደ ሰብኣይ ሓዳስ ሰበይቲ ምስ ኣእተወ፡ ናብ ውግእ ኣይውጻእ፡ ገለ ናይ ዕዮ ነገርውን ኣይጽዓንዎ። ሓንቲ ዓመት ኣብ ቤቱ ሓራ ይኹን፡ ነታ ዝወሰዳ ሰበይቱ ባህ የብላ።
   6ሰብ መጥሓንን መዲድን፡ ንሱ ነፍሲ እዩ ዝሕዝ ዘሎ እሞ፡ ንታሕዚ ኣይውሰዶ። 7ሓደ ሰብ ንሓደ ኻብ ኣሕዋቱ ኻብ ደቂ እስራኤል ሰሪቑ፡ ባርያ ኽገብሮ ወይ ክሸጦ ኸሎ እንተ ተረኽበ፡ እቲ ሰራቒ እቲ ይሙት። ነቲ ኽፉእሲ ኻብ ማእከልካ ኣርሕቆ።
   8ካብ ሕማም ለምጺ ተሓሎ፡ ከምቲ ሌዋውያን ካህናት ዝመሃሩኹም፡ ኵሉ ኽትገብር ኣጸቢቕካ ተጠንቀቕ። ከምቲ ኣነ ዝኣዘዝክዎም፡ ክትገብሩ ተጠንቀቑ። 9እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ እቲ ኻብ ግብጺ ወጺእኩም ኣብ መገዲ ኸሎኹም፡ ንሚርያም ዝገበሮ ዘክር።
   10ንብጻይካ ገለ ለቕሓ ምስ እትለቅሖ፡ ታሕዚ ኽትወስድ ናብ ቤቱ ኣይትእቶ። 11ኣብ ግዳም ደው ኢልካ ጽናሕ፡ እቲ ንስኻ ዘለቃሕካዮ ሰብ ነቲ ታሕዚ ናብ ግዳም ናባኻ የውጽኣዮ። 12እቲ ሰብ ንሱ ድኻ እንተ ዀነ፡ እቲ ታሕዙ ኣባኻ ኣይተሕድር። 13ተኸዲንዎ ምእንቲ ኽድቅስ፡ እቲ ታሕዚ ዕርበት ጸሓይ ምለሰሉ፡ ይምርቐካ ኸኣ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካውን ንጽድቂ ይዀነካ።
   14ካብ ኣሕዋትካ እንተ ዀነ፡ ወይ ኣብ ሃገርካ ኣብ ውሽጢ ደጌታትካ ኻብ ዝነብሩ ጓኖትካ እንተ ዀነ፡ ንድኻን ሽጉርን ወዓላይ ኣይትዓምጾ። 15ንሱ ድኻ እዩ፡ ነፍሱ ኸኣ ንእኡ ትጽበ ኣላ እሞ፡ ውዕለቱ ሽዑ መዓልቲ ጸሓይ ከይዓረበት ሃቦ። እንተ ዘይኰነስ፡ ናብ እግዚኣብሄር ይጠርዓልካ፡ እሞ ሓጢኣት ይዀነካ።
   16ኣቦታት ብሰሪ ደቆም ኣይሙቱ፡ ደቂ ኸኣ ብሰሪ ኣቦታት ኣይሙቱ። ነፍሲ ወከፍ በብሓጢኣቱ ይሙት። 17ንስደተኛን ንዘኽታምን ፍርዲ ኣይትጥወ፡ ክዳን መበለት ከኣ ንታሕዚ ኣይትውሰድ። 18ንስኻ ድማ ኣብ ግብጺ ባርያ ከም ዝነበርካን እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ድማ ካብኣ ኸም ዘድሓነካን ዘክር። ስለዚ ነዚ ነገር እዚ ኽትገብሮ፡ ኣነ እእዝዘካ ኣሎኹ።
   19እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብዅሉ ግብሪ ኢድካ ምእንቲ ኽባርኸካስ፡ ዓጺድካ ኣብ ግራትካ ኽትዓጽድ ከሎኻ፡ ኣብ ግራት እንዳእቲ እንተረሳዕካ፡ ንስደተኛን ንዘኽታምን ንመበለትን ይኹን እምበር፡ ክትወስዶ ኣይትመለስ።
   20ኣውልዕካ ምስ እተርግፍ፡ መሊስካ ኣብ ጨናፍር ኣይትእረ፡ ንሱስ ንስደተኛን ንዘኽታምን ንመበለትን ደኣ ይኹን።
   21ወይንኻ ምስ እትቕንጥብ፡ መሊስካ ኣይተቐርሞ፡ ንሱስ ንስደተኛን ንዘኽታምን ንመበለትን ደኣ ይኹን። 22ኣብ ምድሪ ግብጺ ባርያ ኸም ዝነበርካ ዘክር፡ ስለዚ ነዚ ነገር እዚ ኽትገብሮ እእዝዘካ ኣሎኹ።

        ዘዳግም  ምዕራፍ 25            

   1ኣብ መንጎ ሰባት ባእሲ እንተ ዀነ፡ ኽፍረዱውን ናብ ፍርዲ እንተ መጹ፡ ነቲ ቕኑዕ ናጻ የውጽእዎ፡ ነቲ በዳሊ ኸኣ ይፍረድዎ። 2ይኸውን ድማ፡ እቲ በደለኛ መግረፍቲ ዝግብኦ እንተ ዀይኑ፡ እቲ ፈራዲ ናብ ምድሪ ኣውዲቑ፡ ከም በደሉ ልክዕ ብቑጽሪ ኣብ ቅድሚኡ የግርፎ። 3ኣርብዓ ይግረፎ፡ ሓለፋ እቲ ቑጽሪ ኣብዚሑ እንተ ገረፎ፡ ሓውካ ኣብ ቅድሚ ዓይንኻ ኸይሓስር ካብኡ ኣይብዛሕ።
   4ኣፍ እቲ ዘኽይድ ብዕራይ ኣይትእሰር።
   5ኣሕዋት ብሓንሳእ እንተ ተቐመጡ እሞ፡ ሓዲኦም ውሉድ ዘይብሉ እንተ ሞተ፡ ሰበይቲ እቲ ዝሞተ ናብ ወጻኢ ጓና ኣይትተኣቶ። እቲ ሓሙታ ናብኣ ኣትዩ ንርእሱ ይውረሳ እሞ ናይ ሓሙት ግቡእ ይፈጽመላ። 6ይኸውን ድማ፡ ስም እቲ ምዉት ሓዉ ካብ እስራኤል ምእንቲ ኸይድምሰስ፡ እቲ ዝወለደቶ በዅሪ ብስሙ ይጸዋዕ። 7እቲ ሰብኣይ ንሰበይቲ ሓዉ ኽወርሳ እንተ ዘይፈተወ፡ እታ ሰበይቲ ሓዉ ናብ ደገ፡ ናብቶም ዓበይቲ ትደይብ፡ እዚ ሓሙተይ ስም ሓዉ ኣብ እስራኤል ከየቕውም ኣብዩ፡ እቲ ኸም ሓሙት ዝግብኦ ኽፍጽመለይ ኣይደለየን፡ ድማ ትበሎም። 8ሽዑ እቶም ዓበይቲ ኸተማኡ ናባታቶም ጸዎዖም ይዛረብዎ። ንሱ ከኣ፡ ክወርሳ ኣይፈቱን እዩ፡ ኢሉ እንተ ጸንዐ። 9እታ ሰበይቲ ሓዉ ድማ ኣብ ቅድሚ እቶም ዓበይቲ ናብኡ ቐሪባ፡ ሳእኑ ካብ እግሩ ተውጽእ፡ ናብ ገጹውን ጡፍ ትበለሉ፡ ቤት ሓዉ ንዘይሰርሕ ሰብ ከምዚ ይግበሮ፡ ኢላ ድማ ትምለስ። 10ስሙ ኸኣ ኣብ እስራኤል፡ ቤት ፍቱሕ ሳእኑ፡ ይበሃል።
   11ክልተ ሰብ ንሓድሕዶም እንተ ተባእሱ፡ ሰበይቲ እቲ ሓደ ኸኣ፡ ንሰብኣያ ኻብ ኢድ እቲ ዝወቕዖ ኸተድሕኖ፡ ኢዳ ዘርጊሓ ሕፍረቱ እንተ ሓዘት፡ 12ኢዳ ቑረጻ፡ ዓይንኻ ኣይተናሕስየላ።
   13ኣብ ከረጺትካ በበይኑ ሚዛን፡ ዓብይን ንእሽቶን፡ ኣይሃሉኻ። 14ኣብ ቤትካ በበይኑ መስፈሪ፡ ዓብይን ንእሽቶን፡ ኣይሃሉኻ። 15ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝህበካ ምድሪ ዕድሜካ ምእንቲ ኽነውሕሲ፡ ድልድልን ቅኑዕን ሚዛን ይሃሉኻ፡ ድልድልን ቅኑዕን መስፈሪ ድማ ይሃሉኻ። 16እዚ ዝገብር ኵሉን ዓመጻ ዝገብር ኵሉን ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ፍንፉን እዩ።
   17እቲ ኻብ ግብጺ ምስ ወጻእኩም፡ ኣማሌቅ ኣብ መገዲ ዝገበረካ ዘክሮ። 18ንስኻ ደኺምካን ተሓሊልካን ከሎኻ፡ ኣብ መገዲ ተጓነፈካ ንእግዚኣብሄር ከይፈርሄ ኸኣ፡ ነቶም ዳሕሮትካ፡ ንዅሎም ኣብ ድሕሬኻ ዝነበሩ ድኹማት ወቕዐ። 19ክኸውን ድማ እዩ፡ ካብቶም ኣብ ዙርያ እታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኽትወርሳ ንርስቲ ዝህበካ ምድሪ ዝነብሩ ዅሎም ጸላእትኻ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምስ ኣዕረፍካ፡ ንዝኽሪ ኣማሌቅ ካብ ትሕቲ ሰማይ ደምስሶ፡ ኣይትረስዓዮ።

        ዘዳግም  ምዕራፍ 26           

   1ክኸውን ድማ እዩ፡ ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ንርስቲ ዝህበካ ምድሪ ምስ ኣቶኻ፡ ወሪስካያ ኣብኣ ምስ ተቐመጥካ ድማ፡ 2ካብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝህበካ ምድርኻ፡ ካብ መጀመርታ እቲ እተእትዎ ኵሉ ፍረ ምድሪ ኣብ ከፈር ጌርካ፡ ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ንማሕደር ስሙ ዝሓረያ ቦታ ኺድ። 3ናብቲ በተን መዓልትታት እቲኤን ዘሎ ኻህን ኣቲካ ኸኣ፡ ናብታ እግዚኣብሄር ንኣና ኽህበና፡ ነቦታትና ዝመሓለሎም ምድሪ ኸም ዝኣቶኹ፡ ሎሚ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣፍልጥ ኣሎኹ፡ ትብሎ። 4እቲ ኻህን ድማ ነቲ ኸፈር ካብ ኢድካ ወሲዱ ኣብ ቅድሚ መሰውኢ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ የንብሮ። 5ንስኻ ድማ ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸምዚ ኢልካ ትመልስ፡ ኣቦይ ንምጥፋእ ዝቐረበ ኣረማዊ ነበረ፡ ናብ ግብጺ ከኣ ወረደ፡ ቁጽሩ ሒደት ከሎ ድማ፡ ስደተኛ ዀይኑ ኣብኣ ተቐመጠ፡ ኣብኣ ኸኣ ዓብይን ሓያልን ብዙሕን ህዝቢ ዀነ። 6ግብጻውያን ግና ክፉእ ገበሩና፡ ኣጥቅዑና፡ ብርቱዕ ዕዮ ድማ ጸዓኑና። 7ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትና ኸኣ ተማህለልና፡ እግዚኣብሄር ድማ ቃልና ሰምዐ። ምጥቃዕናን ድኻምናን ምጽቃጥናን ከኣ ረኣየ። 8እግዚኣብሄር ድማ ብሓያል ኢድን ብዝርግሕቲ ቕልጽምን ብዓበይቲ መፍርህን ብትእምርትታትን ብተኣምራትን ካብ ግብጺ ኣውጽኣና። 9ናብዛ ቦታ እዚኣ ኸኣ ኣእተወና፡ እዛ ምድሪ እዚኣ ድማ ጸባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ ሃበና። 10ሕጂ ኸኣ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ እንሆ፡ መጀመርታ ፍረ እታ ዝሃብካኒ ምድሪ ኣምጺኤ ኣሎኹ፡ ኢልካ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣንብሮ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸኣ ስገድ። 11በቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ንኣኻን ንቤትካን ዝሃበካ ዅሉ ጽቡቕ ነገር፡ ንስኻ፡ እቲ ሌዋውን ኣብ ማእከልካ ዝነብር ስደተኛን ከኣ፡ ክትሕጐስ ኢኻ።
   12በታ ሳልሰይቲ ዓመት፡ ዓመት ዕሽር፡ ዕሽር ኵሉ እቶትካ ኣውጺእካ ምስ ፈጸምካ፡ ኣብ ውሽጢ ደጌታትካ በሊዖም ክጸግቡስ፡ ንሌዋውን ንስደተኛን ንዘኽታምን ንመበለትን ሃቦም። 13ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ድማ በል፡ ነቲ እተቐደሰ ኻብ ቤተይ ኣውጺኤ፡ ከምቲ ዝኣዘዝካኒ ዅሉ ትእዛዝካ፡ ንሌዋውን ንስደተኛን ንዘኽታምን ንመበለትን ሃብኩ፡ ካብ ትእዛዛትካ ገለ እኳ ኣየፍረስኩን ኣይረሳዕኩንውን። 14ኣብ ጓህየይ ካብኡ ኣይበላዕኩን፡ ዘይንጹህ ከሎኹ ኸኣ ካብኡ ኣየውጻእኩን፡ ንገለ ምዉትውን ካብኡ ኣይሃብኩን፡ ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ሰማዕኩ፡ ብዅሉ ነገር ድማ ከምቲ ዝኣዘዝካኒ ገበርኩ። 15ካብቲ ቅዱስ ማሕደርካ፡ ካብ ሰማይ ጠምት እሞ፡ ንህዝብኻ እስራኤልን፡ ነታ ኸምቲ ነቦታትና ዝመሓልካሎም፡ ንኣና ዝሃብካና ምድርን፡ ጸባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ፡ ባርኽ።
   16በዛ መዓልቲ እዚኣ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ነዚ ሕጋጋትን ፍርድታትን ክትገብሮ ይእዝዘካ ኣሎ እሞ፡ ብዅሉ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ሓልዎን ግበሮን። 17እግዚኣብሄርሲ ኣምላኽካ ክኸውን፡ ንስኻ ድማ ብመገዱ ኽትከይድ፡ ሕጋጋቱን ትእዛዛቱን ፍርድታቱን ክትሕሉ ቓሉውን ክትሰምዕ፡ ሎሚ ኣፍለጥካ። 18-19ንስኻ ኸኣ ከምቲ ዝበለካ ብፍላይ ህዝቡ ኽትከውን፡ ኵሉ ትእዛዛቱ ድማ ክትሕሉ፡ ንውዳሴን ንስምን ንኽብርን ከኣ ልዕሊ ዅሎም ዝፈጠሮም ህዝብታት ልዑል ክገብረካ። ከምቲ ንሱ ዝበለካ ድማ፡ ንእግዚኣብሄር እተቐደሰ ህዝቢ ኽትከውን፡ እግዚኣብሄር ሎሚ ኣፍለጠካ።

        ዘዳግም  ምዕራፍ 27            

   1ሙሴን ዓበይቲ እስራኤልን ድማ ነቲ ህዝቢ ኸምዚ ኢሎም ኣዘዝዎ፡ እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘሎኹ ዅሉ ትእዛዝ ሓልውዎ። 2ክኸውን ድማ እዩ፡ ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝህበካ ምድሪ በታ ንዮርዳኖስ እተሳገሩላ መዓልቲ ዓበይቲ ኣእማን ንኣኻ ኣቑም እሞ፡ ብኖራ ለቕልቆ። 3ምስ ተሳገርካ ኸኣ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትካ እተዛረበካ፡ ናብታ ጸባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ፡ እታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝህበካ ምድሪ ምእንቲ ኽትኣቱስ፡ ኣብኡ ናይ እዚ ሕጊ እዚ ዅሉ ቓላት ጽሓፍ። 4ክኸውን ድማ እዩ፡ ዮርዳኖስ ምስ ተሳገርኩም፡ ነዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘሎኹ ኣእማን ኣብ ከረን ዔባል ኣቑምዎ፡ ብኖራ ኸኣ ለቕልቕዎ። 5ኣብኡ ድማ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ መሰውኢ፡ ብሓጺን ዘይተንከኻዮ ኣእማን፡ መሰውኢ ንደቕ። 6ናይ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ መሰውእስ ብዘይተወቕረ ኣእማን ንደቆ፡ ኣብኡ ኸኣ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝሓርር መስዋእቲ ኣዕርግ። 7መስዋእቲ ምስጋና ሰዊእካ ኣብኡ ብላዕ እሞ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ተሓጐስ። 8ኵሉ ቓላት እዚ ሕጊ እዚ ድማ ግሉጽን ጽቡቕን ጌርካ ኣብቲ ኣእማን ጽሓፎ።
   9ሙሴን እቶም ካህናት ሌዋውያንን ከኣ ንዅሉ እስራኤል ከምዚ ኢሎም ተዛረቡ፡ ዎ እስራኤል፡ ስቕ ኢልካ ስማዕ፡ ሎሚ ህዝቢ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዄናካ ኢኻ። 10እምበኣርሲ ቓል እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ስማዕ፡ እቲ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ትእዛዛቱን ሕጋጋቱን ከኣ ግበር።
   11ሙሴ ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ ነቲ ህዝቢ ኸምዚ ኢሉ ኣዘዞ፡ 12ዮርዳኖስ ምስ ተሳገርኩም፡ እዚኣቶም ኣብ ከረን ጌሪዚም ቈይሞም ንህዝቢ ይባርኹ፡ ስምኦንን ሌዊን ይሁዳን ይሳኮርን ዮሴፍን ብንያምን። 13እዚኣቶም ድማ ኣብ ከረን ዔባል ቈይሞም ይርገሙ፡ ሮቤል፡ ጋድ፡ ኣሴርን ዛብሎንን ዳንን ንፍታሌምን። 14ሌዋውያን ድማ ይምለሱ፡ ንዅሉ ሰብ እስራኤል ከኣ ብዓብዪ ድምጺ ይበሉ፡
   15እተወቕረን ዝፈሰሰን፡ እግዚኣብሄር ዝፈንፈኖ፡ በእዳው ብልሓተኛ እተገብረ ምስሊ ዝገበረ፡ ሓቢኡ ኸኣ ዘንብሮ፡ ርጉም ይኹን። ኵሉ ህዝቢ ኸኣ፡ ኣሜን፡ ኢሉ ይምለስ።
   16ኣቦኡን ኣዲኡን ዝንዕቕ ርጉም ይኹን። ኵሉ ህዝቢ ድማ፡ ኣሜን፡ ይበል።
   17ዶብ ብጻዩ ዝግዕዝ ርጉም ይኹን። ኵሉ ህዝቢ ኸኣ፡ ኣሜን፡ ይበል።
   18ንዕዉር መገዲ ዘጋግዮ ርጉም ይኹን። ኵሉ ህዝቢ ድማ፡ ኣሜን፡ ይበል።
   19ንስደተኛን ንዘኽታምን ንመበለትን ፍርዲ ዝጠዊ ርጉም ይኹን። ኵሉ ህዝቢ ከኣ፡ ኣሜን ይበል።
   20ምስ ሰበይቲ ኣቦኡ ዝድቅስ፡ ጫፍ ክዳን ኣቦኡ ቐሊዑ እዩ እሞ፡ ርጉም ይኹን። ኵሉ ህዝቢ ድማ፡ ኣሜን ይበል።
   21ምስ ዝዀነ እንስሳ ዝድቅስ ርጉም ይኹን። ኵሉ ኸኣ፡ ኣሜን ይበል።
   22ምስ ሓብቱ፡ ጓል ኣቦኡ ወይ ጓል ኣዲኡ፡ ዝድቅስ ርጉም ይኹን። ኵሉ ህዝቢ ድማ፡ ኣሜን፡ ይበል።
   23ምስ ሓማቱ ዝድቅስ ርጉም ይኹን። ኵሉ ህዝቢ ኸኣ፡ ኣሜን ይበል።
   24ንብጻዩ ብስዉር ዝቐትል ርጉም ይኹን። ኵሉ ህዝቢ ድማ፡ ኣሜን፡ ይበል።
   25ነፍሲ እቲ ንጹህ ክቐትል መማለጃ ዝቕበል ርጉም ይኹን። ኵሉ ህዝቢ ከኣ፡ ኣሜን፡ ይበል።
   26ንቓላት እዚ ሕጊ እዚ ኽገብሮ ዘየጽንዖ ርጉም ይኹን። ኵሉ ህዝቢ ድማ፡ ኣሜን፡ ይበል።

        ዘዳግም  ምዕራፍ 28 

   1ክኸውን ድማ እዩ፡ ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣጸቢቕካ እንተ ሰማዕካ፡ እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ዅሉ ትእዛዛቱ ተጠንቂቕካ እንተ ገበርካዮ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣብ ልዕሊ ዅሎም ህዝብታት ምድሪ ኽብ ከብለካ እዩ። 2ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እንተ ሰሚዕካስ፡ እዚ ዅሉ በረኸት ክመጸካን ክረኽበካን እዩ።
   3ንስኻ ኣብ ከተማ ብሩኽ ትኸውን፡ ንስኻ ኣብ መሮር ድማ ብሩክ ትኸውን። 4ፍረ ኸርስኻን ፍረ ምድርካን ፍረ ማልካን ምውላድ ላምካን ምፍራይ ኣባጊዕካን ከኣ ብሩክ ይኸውን። 5መሶብካን መልወሲካን ብሩኽ ይኸውን። 6ንስካ ኣብ ምእታውካ ብሩክ ትኸውን። ንስኻ ኣብ ምውጻእካውን ብሩኽ ትኸውን። 7ነቶም ዝልዓሉኻ ጸላእትኻ፡ እግዚኣብሄር ኣብ ቅድሜኻ ተሰዓርቲ ይገብሮም፡ ብሓንቲ መገዲ ይወጹኻ፡ ካብ ቅድሜካ ድማ ብሾብዓተ መገዲ ይሃድሙ። 8እግዚኣብሄር ኣብ ቆፎኻን ኣብ ኵሉ ተግባር ኢድካን በረኸት ይእዝዘልካ፡ ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝህበካ ምድሪ ድማ ክባርኸካ እዩ። 9ትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እንተ ሓሎኻ፡ ብመገዱውን እንተ ኼድካስ፡ እግዚኣብሄር ከምቲ ዝመሓለልካ ንእኡ እተቐደሰ ህዝቢ ገይሩ ኸቑመካ እዩ። 10ኵሎም ህዝብታት ምድሪ ኸኣ፡ ብስም እግዚኣብሄር ከም እተጸዋዕካ ይርእዩ እሞ፡ ይፈርሁኻ። 11ኣብታ እግዚኣብሄር ንኣኻ ኽህበካ፡ ነቦታትካ ዝመሓለሎም ምድሪ ኣብ ፍረ ኸርስኻን ኣብ ፍረ ማልካን ኣብ ፍረ ምድርካን እግዚኣብሄር ብጽቡቕ ከብዝሓካ እዩ። 12ዝናም ምድርኻ ብግዜኡ ምእንቲ ኽህብ እሞ፡ ኵሉ ተግባር ኢድካ ድማ ክባርኸ፡ እግዚኣብሄር እቲ ጽቡቕ መዝገቡ፡ ሰማይ፡ ክኸፍተልካ እዩ። ንብዙሓት ህዝብታት ከተለቅሕ ኢካ፡ ንስኻ ግና ገለ እኳ ኣይትልቃሕን ኢኻ። 13-14ነዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኽትሕልዎን ክትገብሮን እንተ ሰማዕካዮ፡ ካብዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘሎኹ ዅሉ ነገር ንየማን ወይ ንጸጋም እንተ ዘየግለስካ፡ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸተገልግሎም ደድሕሪኦም እንተ ዘይሰዓብካ ድማ፡ እግዚኣብሄር ርእሲ እምበር፡ ጭራ ኣይገብረካን፡ ብላዕሊ ጥራይ ትኸውን እምበር፡ ብታሕቲ ኣይትኸውንን።
   15ግናኸ ክኸውን እዩ፡ ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እንተ ዘይሰማዕካ፡ እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ዅሉ ትእዛዛቱን ሕጋጋቱን ንምግባሩ ድማ እንተ ዘይተጠቀቕካ፡ እዚ ዅሉ መርገም ክመጸካን ክረኽበካን እዩ።
   16ንስኻ ኣብ ከተማ ርጉም ትኸውን፡ ንስኻ ኣብ መሮርውን ርጉም ትኸውን። 17መሶብካን መልወሲኻን ርጉም ይኸውን። 18ፍረ ኸርስኻን ፍረ ምድርኻን ምውላድ ላምካን ምፍራይ ኣባጊዕካን ድማ ርጉም ይኸውን። 19ንስኻ ኣብ ምእታውካ ርጉም ትኸውን። ንስኻ ኣብ ምውጻእካውን ርጉም ትኸውን። 20ንኣይ ሓዲግካ ኽፉእ ስለ ዝገበርካ፡ ክሳዕ እትጠፍእን ቀልጢፍካ ኽሳዕ እትጸንትን፡ እግዚኣብሄር ኣብ ኵሉ ተግባር ኢድካ መርገምን ዕግርግርን ተግሳጽን ክሰደልካ እዩ። 21ካብታ ኽትወርሳ እትኸዳ ዘሎኻ ምድሪ ኽሳዕ ዘብርሰካ፡ እግዚኣብሄር ፌራ ኸልግበልካ እዩ። 22እግዚኣብሄር ብምምሳንን ብዓሶን ብረስንን ብዋዕን ብሴፍን ብሓርኢ እኽልን ብዋግን ክወቕዓካ እዩ፡ ክሳዕ እትበርስ ድማ፡ ክሰጕኻ እዮም። 23ኣብ ልዕሊ ርእስኻ ዘሎ ሰማይካ ኣስራዚ ክኸውን እዩ፡ ኣብ ትሕቴኻ ዘላ ምድሪ ከኣ ሓጺን ክትከውን እያ። 24እግዚኣብሄር ዝናም ምድርካ ተጐጓን ሓመድን ክገብሮ እዩ፡ ክሳዕ እትጠፍእ፡ ካብ ሰማይ ክወርደካ እዩ። 25እግዚኣብሄር ኣብ ቅድሚ ጸላእትኻ ተሰዓሪ ይገብረካ፡ ብሓደ መገዲ ትወጾም፡ ብሾብዓተ መገዲ ኸኣ ካብ ቅድሚኦም ትሃድም፡ ናብ ኵሎም መንግስትታት ምድሪ ድማ ትዛባዕ። 26ሬሳታትካ ንዂሎም ኣዕዋፍ ሰማይን ንኣራዊት ምድርን ብልዒ ክኸውን እዩ፡ ዝሰጎም ከኣ የልቦን። 27እግዚኣብሄር ከም ዘይትፍወስ ገይሩ ብናይ ግብጺ ሕበጥን ብምጕለንጭዋን ብዓበቕን ብመበላይን ገይሩ ኸኣ ክወቕዓካ እዩ። 28እግዚኣብሄር፡ ብጽለላን ብዑረትን ብስምባድ ልብን ክወቕዓካ እዩ። 29ዕዉር ብጸልማት ሃሰስ ከም ዝብል ድማ፡ ብቐትሪ ሃሰስ ክትብል ኢኻ፡ ኣብ መገድታትካውን ኣይቐንዓካን፡ ወርትግ ጥቑዕን ዝሙትን ትኸውን፡ ዘድሕነካ ኸኣ የልቦን። 30ሰበይቲ ትሕጸ፡ ግናኸ ካልእ ይድቅሳ፡ ቤት ትሰርሕ፡ ግናኸ ኣይትነብራን፡ ወይኒ ትተክል፡ ፍረ ግና ኣይትእክበሉን። 31ብዕራይካ ኣብ ቅድሚ ዓይንኻ ይሕረድ፡ ካብኡ ግና ኣይትበልዕን፡ ኣድግኻ ኻብ ቅድሜኻ ይዝረፍ፡ ኣይምለሰካን ከኣ፡ ኣባጊዕካ ንጸላእትኻ ይወሃባ፡ ዝረድኣካ ኸኣ የልቦን። 32ኣወዳትካን ኣዋልድካን ንኻልእ ህዝቢ ይወሃቡ፡ ኣዒንትኻ ድማ ምሉእ መዓልቲ እናርኣያኦም ብሃረርታኦም ቀባሕባሕ ይብላ፡ ኣብ ኢድካ ግና ሓይሊ የልቦን። 33ፍረ ምድርኻን ብዘሎ ጻዕርኻን ድማ ዘይትፈልጦ ህዝቢ ኽበልዖ እዩ። ወርትግ ከኣ ጥቑዕን ጽቑጥን ትኸውን። 34ኣዒንትኻ ዝርእያኦ ዅሉ ነገር ብምርኣይካ ኽትጽለል ኢኻ፡ 35እግዚኣብሄር ብሕሱም ክትሓውየሉ ዘይትኽእል ሕበጥ ኣብ ብርክኻን ኣብ ዳንጋኻን ካብ ከብዲ እግርኻ ኽሳዕ መንበስበስታ ርእስኻ ኽወቕኻካ እዩ። 36እግዚኣብሄር ንኣኻን ነቲ ኣብ ልዕሌኻ እተንግሶ ንጉስካን ንስኻን ኣቦታትካን ናብ ዘይትፈልጥዎ ህዝቢ ኽሰደካ እዩ፡ ኣብኡ ድማ ንኻልኦት ኣማልኽቲ፡ ንዕንጨይትን ንእምንን፡ ከተምልኽ ኢኻ። 37ኣብቶም እግዚኣብሄር ናባታቶም ዝመርሓካ ዅሎም ህዝብታት እግዚኣብሄር ናባታቶም ዝመርሓካ ዂሎም ህዝብታት ከኣ መገረምን መመሰልን መድረፍን ትኸውን። 38ኣብ ግራትካ ብዙሕ ዘርኢ ተምጽእ፡ ግናኸ ኣንበጣ ኽበልዖ እዩ እሞ፡ ሒደት ትእክብ። 39ወይኒ ትተክል ትዅስኵሶ ኸኣ፡ ግናኸ፡ ሓሰኻ ኽበልዖ እዩ እሞ፡ ወይኒ ኣይትሰትየሉን፡ ገለ እኳ ድማ ኣይትእክብን። 40ኣብ ኵሉ ሃገርካ ኣውልዕ ይዀነልካ፡ ግናኸ፡ እቲ ኣውልዕካ ኽረግፍ እዩ እሞ፡ ዘይቲ ኣይትልከን፡ 41ኣወዳትን ኣዋልድን ትወልድ፡ ግናኸ፡ ተማሪኾም ክኸዱ እዮም እሞ፡ ንኣኻ ኣይኰኑን። 42ኵሉ ኣእዋምካን ፍረ ምድርኻን ኵብኵብታ ኽወርሶ እዩ። 43ኣብ ማእከልካ ዘሎ ስደተኛ ኣብ ልዕሌኻ ልዕል ልዕል ይብል፡ ንስኻ ግና ንታሕቲ ንታሕቲ ትወርድ። 44ንሱ ኸለቅሓካ እዩ፡ ንስኻ ግና ኣይተለቅሖን፡ ንሱ ርእሲ ክኸውን እዩ፡ ንስኻ ግና ጭራ ትኸውን።
   45እቲ ዝኣዘዘካ ትእዛዛቱን ሕጋጋቱን ክትሕሉ ቓል እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ስለ ዘይሰማዕካ፡ እዚ ዅሉ መርገም ክወርደካ፡ ክሳዕ እትጠፍእ ድማ ክሰጐካን ከርክበካን እዩ። 46ኣባኻን ኣብ ዘርእኻን ንዘለኣለም ንትእምርትን ተኣምራትን ክዀኑ እዮም። 47ኵሉ መሊኡካ ኸሎስ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ባህ ኢሉካ ብጽቡቕ ልቢ ስለ ዘየገግልገልካዮ፡ 48ነቶም እግዚኣብሄር ዝሰደደልካ ጸላእትኻ ኣብ ጥሜትን ኣብ ጽምኣትን ኣብ ዕርቃንን ኣብ ኵሉ ስእነትን ክትግዝኦም ኢኻ። ክሳዕ ዘጥፍኣካ ኸኣ፡ ኣርዑት ሓጺን ኣብ ክሳድካ ኸንብረልካ እዩ። 49ቋንቋኡ ዘይትሰምዖ ህዝቢ፡ ከም ንስሪ ዝነፍር ህዝቢ፡ እግዚኣብሄር ካብ ርሑቕ፡ ካብ ወሰን ምድሪ፡ ናባኻ ኸምጽእ እዩ። 50ጨካን ዝገጹ ህዝቢ፡ ገጽ ኣረጊት ርእዩ ዘይሓፍር፡ ንናእሽቱ ድማ ዘየናሕሲ። 51ክሳዕ እትጠፍእ ከኣ፡ ፍረ ኸብትኻን ፍረ ምድርኻን ክበልዕ እዩ፡ ክሳዕ ዘጥፍኣካ፡ ስርናይ ዀነ፡ ወይኒ ዀነ፡ ዘይቲ ዀነ፡ ምውላድ ላምካ ዀነ፡ ምፍራይ ኣባጊዕካ ዀነ፡ ኣይገድፈልካን እዩ። 52እቲ ንስኻ እትኣምኖ ነዋሕትን ጽኑዓትን መናድቕካ ኣብ ኵሉ ሃገርካ ኽሳዕ ዝፈርስ፡ ብዅሉ ደጌታትካ ክኸበካ እዩ። ኣብ ኵላ እታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝህበካ ምድሪ፡ ኣብ ኵለን ደጌታትካ ክኸበካ እዩ። 53በቲ ጸላኢኻ ከቢቡ ዘጽብበልካ ጸባብ፡ ስጋ እቶም እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝሃበካ ኣወዳትካን ኣዋልድካን፡ ፍረ ኸርስኻ ኽትበልዕ ኢኻ። 54ኣባኻ እቲ ቑጽይጽይ ዝብልን ብዙሕ ሕንቁቕን ሰብ ንሓዉን ነታ ኣብ ሕቑፉ እትድቅስ ሰበይቱን ነቶም ዝተረፉ ትርፊ ደቁን ብኽፉእ ዓይኒ ይርእዮም። 55በቲ ጸላኢኻ ኸቢቡ ኣብ ኵለን ደጌታትካ ዘጽብበልካ ጸበባ፡ ካልእ ነገር ኣይተርፎን እሞ፡ ካብቲ ዝበልዖ ስጋ ውሉዱ ንሓደ ኻባታቶም ምእንቲ ኸይህብ፡ 56ኣባኻ እታ ቑጽይጽይ እትብልን ሕንቅቕትን፡ ብሕንቃቔአን ቑጽይጽይ ምባላን ከብዲ እግራ ምድሪ ንምርጋጽ ክትፍትን ዘይደለየት ሰበይቲ ኸኣ ነቲ ኣብ ሕቑፋ ዘሎ ሰብኣያን ንወዳን ንጓላን ድማ ብኽፉእ ዓይኒ ትርእዮም። 57በቲ ጸላኢኻ ኸቢቡ ኣብ ደጌታትካ ዘጽብበልካ ጸበባ ዅሉ ነገር ስኢና እያ እሞ፡ ነቲ ኻብ መንጎ ኣእጋራ ዝወጸ መዳሕንትን ነቶም ዝወለደቶም ደቃን ተሓቢኣ ኽትበልዖም እያ።
   58ነዚ ኣብዚ መጽሓፍ እዚ እተጻሕፈ ዅሉ ቓላት እዚ ሕጊ እዚ ኽትገብሮ እንተ ዘይተጠንቀቕካ፡ ነዚ ምስጉንን መፍርህን ዝዀነ ስም፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ ከኣ እንተዘይፈራህካ፡ 59እግዚኣብሄር መቕዘፍትኻን መቕዘፍቲ ዘርእኻን ዘገርም፡ ብርቱዕ፡ ዓብዪ እሞ ዝድንጒ መቕዘፍቲ፡ ሕሱም እሞ ዝድንጒ ሕማም ክገብር እዩ። 60ነቲ ዝፈራህካዮ ዅሉ ሕማም ግብጺ ናብ ልዕሌኻ ኽመልሶ እዩ እሞ ኽለግበካ እዩ። 61ክሳዕ እትጠፍእ፡ እግዚኣብሄር ኣብ መጽሓፍ እዚ ሕጊ እዚ ዘይተጻሕፈ ዅሉ ሕማምን ኵሉ መቕዘፍትን ከምጽኣልካ እዩ። 62ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ስለ ዘይሰማዕካ፡ ኣብ ክንዲ እቲ ቐደም ምብዛሕኩም ከም ከዋኽብቲ ሰማይ ዝነበርኩም፡ ብቝጽሪ ሒደት ክትተርፉ ኢኹም። 63ክኸውን ከኣ እዩ፡ እግዚኣብሄር ከምቲ ቐደም ጽቡቕ ክገብረልኩም ከብዝሓኩምን ብኣኻትኩም ባህ ከም ዝበሎ፡ ከምኡ እግዚኣብሄር ብምጥፋእኩምን ፋሕ ብምባልኩምን ባህ ክብሎ እዩ። ካብታ ኽትወርሳ እትኣትዋ ሃገር ክትምንቈሱ ኢኹም። 64እግዚኣብሄር ድማ ካብ ወሰን ምድሪ ኽሳዕ ወሰን ምድሪ ናብ ኵሎም ህዝብታት ፋሕ ከብለካ እዩ፡ ኣብኡ ድማ ንስኻን ኣቦታትካን ንዘይትፈልጥዎም ካልኦት ኣማልኽቲ፡ ንዕጨይትን ንእምንን ከተገልግል ኢኻ። 65ኣብ ማእከል እቶም ህዝብታት እቲኦም ከኣ ህድኣት ኣይትረክብን፡ ንኸብዲ እግርኻ ድማ ዕረፍቲ የልቦን፡ ኣብኡ ግና እግዚኣብሄር ዘንቀጥቅጥ ልብን ዝሓመቐት ዓይንን ዝማህመነት ነፍስን ክህበካ እዩ። 66ህይወትካ ኣብ ቅድሜኻ ጠልጠል ትብል፡ ለይትን መዓልትን ከኣ ትፈርህ፡ ብህይወትካ ኣይትእመንን። 67በቲ እትፈርሆ ፍርሃት ልብኻን በቲ እትርእዮ ትርኢት ዓይንኻን ብጊሓት፡ ወይ እንተ ዝመሲ ደኣ፡ ክትብል፡ ምሸት ከኣ፡ ወይ እንተ ዝወግሕ ደኣ፡ ክትብል ኢኻ። 68በታ፡ ደጊም መሊስካ ኣይትርእያን፡ ዝበልኩኻ መገዲ፡ እግዚኣብሄር ብመራኽብ ገይሩ ናብ ግብጺ ኽመልሰካ እዩ። ኣብኡ ድማ ባሮትን ኣግራድን ክትኰኑ፡ ንርእስኹም ናብቶም ጸላእትኹም ክትሸጡ ኢኹም። ዝዕድግ ከኣ የልቦን።

        ዘዳግም  ምዕራፍ 29            

   1እግዚኣብሄር ብዘይ እቲ ኣብ ሆሬብ ምስ ደቂ እስራኤል ዝኣተዎ ኪዳን ኣብ ምድሪ ሞኣብ ከኣ ንሙሴ ምሳታቶም ክኣቱ ዝኣዘዞ ቓላት ኪዳን እዚ እዩ።
   2-3ሙሴ ድማ ንብዘለዉ እስራኤል ጸውዐ በሎም ድማ፡ እግዚኣብሄር ኣብ ምድሪ ግብጺ ንፈርኦንን ንዅሎም ገላውኡን ንዅላ ምድሩን ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኹም ዝገበሮ፡ እቲ ኣዒንትኻ ዝረኣያኦ ዓበይቲ ፈተናታት፡ እቲ ትእምርትታትን ዓበይቲ ተኣምራትን ከኣ ንስኻትኩም ርኢኹም ኢኹም። 4ግናኸ እግዚኣብሄር ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ልቢ ንምፍላጥ፡ ኣዒንቲ ንምርኣይ፡ ኣእዛን ከኣ ንምስማዕ ኣይሃበኩምን። 5ኣርብዓ ዓመት ድማ ኣብ በረኻ መራሕኩኹም፡ ክዳውንትኹም ኣብ ዝባንኩም ኣይበለየን፡ ሳእኒ ድማ ኣብ ኣእጋርካ ኣይበለየን፡ 6ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምዃነይ ምእንቲ ኽትፈልጡስ፡ እንጌራ ኣይበላዕኩምን ወይንን ብርቱዕ መስተን ከኣ ኣይሰቴኹምን። 7ናብዛ ቦታ እዚኣ ምስ መጻእኩም ከኣ፡ ሲሆን ንጉስ ሔስቦንን ዖግ ንጉስ ባሳንን ክዋግኡና ኢሎም ክቃባበሉና ወጹ፡ ንሕና ድማ ሰዓርናዮም። 8ሃገሮም ከኣ ሓዝና፡ ንሮቤልን ንጋድን ንፈረቓ ነገድ ምናሴን ከኣ ርስቲ ሃብናዮም። 9እምበኣር እትገብርዎ ዅሉ ምእንቲ ኽሰልጠኩምሲ፡ ቃላት እዚ ኪዳን እዚ ሓልውዎን ግበርዎን።
   10-13ከምቲ ዝበለካን፡ ከምቲ ነቦታትካ፡ ንኣብርሃምን ንይስሃቅን ንያቆብን፡ ድማ ዝመሓለሎም፡ ምእንቲ ኣብ ኪዳን እግዚብሄር ኣምላኽካን ኣብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ሎሚ ምሳኻ ዘቘሞ ማሕላኡን ክትኣቱ፡ ሎሚ ንኣኻ ህዝቡ ገይሩ ከቑመካ፡ ንሱ ኸኣ ኣምላኽካ ክኸውን፡ ሎሚ ኵሉኹም፡ ሓላቑኹም፡ ነገዳትኩም፡ ዓበይትኹምን መኳንንትኹምን፡ ኵሎም ሰብኡት እስራኤል፡ ቈልዑኹም፡ ኣንስትኹም፡ ኣብ ማእከል ሰፈርካ ዝነብር ጓናኻ ድማ፡ ካብ ፈላጽ ዕጨይትኻ ኽሳዕ ቀዳሕ ማይካ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ደው ኢልኩም ኣሎኹም። 14-15እዚ ኪዳን እዝን እዚ ማሕላ እዝን ኣነ ምስቶም ሎሚ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኣብዚ ምሳና ቘይሞም ዘለዉን ምስቶም ሎሚ ምሳና ኣብዚ ዘየለዉን ድማ እምበር፡ ምሳኻትኩም ጥራይ ኣይኰንኩን ዘቑሞ ዘሎኹ።
   16ኣብ ምድሪ ግብጺ ኸም ዝነበርናን በቶም ብማእከሎም ዝሓለፍኩም ህዝብታት ድማ ከም ዝሓለፍናን፡ ንስኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም። 17እቲ ጽያፎምን እቲ ኣባታቶም ዝነበረ ናይ ዕጨይትን እምንን ብሩርን ወርቅን ጣኦታቶምን ርኤኹም። 18እምበኣርሲ ሰብኣይ ኰነ፡ ወይ ሰበይቲ ወይ ዓሌት ወይ ነገድ፡ ሎሚ ልቡ ኻብ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዝመልስ እሞ ከይዱ ንኣማልኽቲ እቶም ህዝብታት እቲኣቶም ዘምልኽ ከይህልወኩም፡ ኣባኻትኩም መርዝን መሪርን ዘብቁል ሱር ከኣ ከይርከበኩም፡ 19ከይኸውን ድማ፡ ቃላት እዚ መርገም እዚ ሰሚዑስ፡ ብልቡ ነታ ነፍሱ ኸምዚ ኢሉ ዝባርኻ፡ ኣነስ፡ ብትሪ ልበይ እንተ ኸድኩ፡ ንጽምኣተይ ድማ ስኽራን እንተ ወሰኽኩሉ፡ ሰላም ይዀነለይ። 20እግዚኣብሄር ይቕረ ኣይብለሉን፡ ሽዑ ግና ዅራ እግዚኣብሄርን ቅንኣቱን ደኣ ኣብ ልዕሊ እቲ ሰብኣይ እቲ ይተክኽ፡ እቲ ኣብዚ መጽሓፍ እዚ ተጽሒፉ ዘሎ ዅሉ መርገም ከኣ ኣብ ልዕሊኡ ይነብር፡ እግዚኣብሄር ከኣ ንስሙ ኻብ ትሕቲ ሰማይ ክድምስሶ እዩ። 21እግዚኣብሄር ድማ፡ ከምቲ ኣብ መጽሓፍ እዚ ሕጊ እዚ ተጽሒፉ ዘሎ ዅሉ መርገም ኪዳን፡ ካብ ኵሎም ነገድ እስራኤል ናብ ክፉእ ክፈልዮ እዩ። 22ዳሕራይ ወለዶ፡ ብድሕሬኹም ዝትንስኡ ደቅኹምን ካብ ርሑቕ ሃገር ዝመጸ ጓናን ከኣ ናይ እዛ ሃገር እዚኣ መዓትን እቲ እግዚኣብሄር ዘምጽኣላ ሕማምን ምስ ዝርእዩ፡ ክብሉ እዮም፡ 23ከምቲ እግዚኣብሄር ኰርዩን ነዲዱን ንሶዶምን ንጎሞራን ንኣድማን ንጽቦይምን ዝገምጠለን ምግምጣል፡ እታ ምድሪ ዅላ ከይትዝራእን ከይተርፍን ገለ ሳዕሪ ኸይተብቍልን፡ ዲንን ጨውን ንዳድን ኰነት። 24ኵሎም ህዝብታት ድማ ክብሉ እዮም፡ ስለምንታይ እዩ እግዚኣብሄር ነዛ ሃገር እዚኣ ኸምዚ ዝገበራ ስለምንታይከ እዚ ዓብዪ ዅራኡ ነደደ፧ 25ይብሉ ኸኣ፡ እቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ ምስ ኣውጽኦም ምሳታቶም ዝኣተዎ ኪዳን እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም ስለ ዝሓደጉ፡ 26ከይዶም ከኣ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ንዘይፈልጥዎምን ንዘይተዋህቡዎምን ኣማልኽቲ ስለ ዘምለኹን ስለ ዝሰገዱሎምን እዩ። 27ስለዚ እቲ ኣብዚ መጽሓፍ እዚ እተጻሕፈ ብዘሎ መርገም ከምጽኣላ፡ ኵራ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ እዛ ሃገር እዚኣ ነደደ። 28እወ፡ እግዚኣብሄርሲ ብዅራን ብነድርን ብዓብዪ ቑጥዓን ካብ ሃገሮም ምሕው ኣቢሉ፡ ከምዚ ሎሚ ዀይንዎ ዘሎ፡ ናብ ካልእ ሃገር ደርበዮም።
   29እቲ ስዉር ነገር ዘበለ ናይ እግዚኣብሄር ኣምላኽና እዩ፡ ኵሉ ቓላት እዚ ሕጊ እዚ ምእንቲ ኽንገብር፡ እቲ ግሉጽ ንዘለኣለም ንኣናን ንደቅናን እዩ።

        ዘዳግም  ምዕራፍ 30            

   1ክኸውን ድማ እዩ፡ እዚ ዅሉ ነገር እዚ ኣብ ቅድሜኻ ዘንበርኩልካ በረኸትን መርገምን ምስ መጸካ፡ ኣብቶም እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ፋሕ ዘበለካ ዅሎም ህዝብታት ኴንካ ኸኣ፡ ናብ ልብኻ ተመሊስካ እንተ ሓሰብካዮ፡ 2ከምዚ ሎሚ ኣነ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ዅሉ፡ ንስኻን ደቅኻን ብዅሉ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እንተ ተመለስካ፡ ቃሉ ድማ እንተ ሰማዕካ፡ 3ሽዑ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምርኮኻ ይመልስ፡ ይድንግጸልካ ኸኣ፡ ካብቶም ናባታቶም ፋሕ ኣቢሉካ ዝነበረ ዅሎም ህዝብታት ከኣ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ መሊሱ ኽእክበካ እዩ። 4እቶም ስጉጓትካ ኽሳዕ ወሰን ሰማይ እኳ እንተ በጽሑ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካስ ካብኡ ኽእክበካ፡ ካብኡውን ከምጽኣካ እዩ። 5እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ድማ ናብታ ኣቦታትካ ዝወረስዋ ምድሪ ኸእትወካ እዩ፡ ንስኻ ኸኣ ክትወርሳ ኢኻ እሞ፡ ንሱ ኸጸብቐልካ፡ ካብ ኣቦታትካ ድማ ከብዝሓካ እዩ። 6ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብዅሉ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ምእንቲ ኸተፍቅሮ እሞ ብህይወት ክትነብርሲ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ልብኻን ልቢ ዘርእኻን ክገዝር እዩ። 7እዚ ዅሉ መርገም እዚ ድማ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ናብ ጸላእትኻን ናብቶም ዝጸልኡኻን ዝሰጉኻን ክገብሮ እዩ። 8ንስኻ ድማ ተመሊስካ ንቓል እግዚኣብሄር ትሰምዖ፡ ነዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ዅሉ ትእዛዛቱ ኸኣ ትገብሮ። 9-10ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እንተ ሰማዕካ፡ ኣብ መጽሓፍ እዚ ሕጊ እዚ እተጻሕፈ ትእዛዛቱን ሕጋጋቱን ከኣ እንተ ሓሎኻ፡ ናብ እግዚብሄር ኣምላኽካ ድማ ብዅሉ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን እንተ ተመለስካ፡ እግዚኣብሄር ከምቲ በቦታትካ ተሓጒስዎ ዝነበረ፡ መሊሱ ንኣኻ ጽቡቕ ምግባር ክሕጐስ እዩ እሞ፡ እግዚኣብሄር ብዅሉ ተግባር ኢድካን ብፍረ ኸርስኻን ብፍረ ማልካን ብፍረ ምድርኻን ክመልኣካ እዩ።
   11እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ትእዛዛት፡ ንኣኻ ኣዝዩ ዝሽግርን ካባካ ዝረሓቐን ኣይኰነን እሞ፡ 12ናብ ሰማይ ዝድይበልናን ዘምጽኣልናን፡ ክንገብሮ ኸኣ ዘስምዓና መን እዩ ከይትብል፧ ኣብ ሰማይ ኣይኰነን። 13ባሕሪ ዝስሳገረልናን ዘምጽኣልናን ክንገብሮ ኸኣ ዘስምዓና እሞ መን እዩ፧ ከይትብል ድማ፡ ኣብ ስግር ባሕሪ ኣይኰነን። 14እቲ ቓል፡ ምእንቲ ኽትገብሮስ፡ ኣብ ኣፍካን ኣብ ልብኻን ኣዝዩ ቐረባኻ እዩ። 15ርአ፡ ሎሚ ህይወትን፡ ሞትን: ጽቡቕን ክፉእን ኣብ ቅድሜኻ ኣንቢረልካ ኣሎኹ። 16ብህይወት ምእንቲ ኽትነብርን ክትበዝሕን፡ ኣብታ ኽትወርሳ እትኣትዋ ዘሎኻ ሃገር፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምእንቲ ኽባርኸካ ድማ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸተፍቅሮ፡ ብመገዱ ኸኣ ክትከይድ ትእዛዛቱን ሕጋጋቱን ፍርድታቱን ድማ ክትሕሉ፡ ኣነ ሎሚ እእዝዘካ ኣሎኹ። 17ግናኸ ልብኻ ንድሕሪት እንተ ተመልሰ እሞ እንተ ዘይሰማዕካ፡ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኽትሰግድ ከኣ እንተ ተስሓብካን እንተ ኣምለኽካዮምን፡ 18ብርግጽ ከም እትጠፍኡ፡ ኣነ ሎሚ እምስክረልኩም ኣሎኹ። ኣብታ ኽትወርሳ ዮርዳኖስ ተሳጊርካ እትኣትዋ ምድሪ መዓልትታትኩም ኣይተንውሑ።
   19ህይወትን ሞትን፡ በረኸትን መርገምን ኣብ ቅድሜኻ ኣንቢረልካ ኸም ዘሎኹ፡ ኣባኻ ንምስክር ሎሚ ሰማይን ምድርን ጸዊዔ ኣሎኹ። እምበኣርሲ ንስኻን ዘርእኻን ብህይወት ምእንቲ ኽትነብር፡ ህይወት ሕረ። 20ንሱ ህይወትካን ምናሕ ዕድሜኻን እዩ እሞ፡ ኣብታ እግዚኣብሄር ነቦታትካ፡ ንኣብርሃምን ንይስሃቅን፡ ንያእቆብን፡ ክህቦም ዝመሓለሎም ምድሪ ኽትነብርሲ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣፍቅሮ፡ ቃሉ ድማ ስማዕ ናብኡውን ልገብ።

        ዘዳግም  ምዕራፍ 31            

   1ሙሴ ኸይዱ ድማ እዚ ቓላት እዚ ንብዘሎ እስራኤል ተዛረበ፡ 2በሎም ከኣ፡ ኣነ ሎሚ ወዲ ሚእትን ዕስራን ዓመት እየ እሞ፡ ደጊም ክወጽእን ክኣቱን ኣይክእልን። እግዚኣብሄር ድማ፡ ነዚ ዮርዳኖስ ኣይትሳገሮን ኢኻ፡ በለኒ። 3እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ ንሱ ቐቅድሜኻ ኽሳገር እዩ እሞ፡ ንሱ ነዞም ህዝብታት እዚኣቶም ካብ ቅድሜኻ ኸጥፍኦም እዩ። ንስኻውን ክትወርሶም ኢካ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ኸኣ፡ እያሱ፡ ንሱ ቐቅድሜኻ ኽሳገር እዩ። 4እግዚኣብሄር ነቶም ንሱ ዘጥፍኦም፡ ንሲሆንን ንኦግን፡ ነገስታት ኣሞራውያን፡ ንምድሮምን ከም ዝገበረ፡ ንኣታቶም ድማ ከምኡ ኽገብሮም እዩ። 5እግዚኣብሄር ኣብ ኢድኩም ኣሕሊፉ ኽህበኩም እዩ፡ ከምቲ ዝኣዘዝኩኹም ኵሉ ትእዛዝ ከኣ ግበርዎም። 6እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ ንሱ እዩ ምሳኻ ዝኸይድ እሞ፡ ኣይጠልመካን ኣይሓድገካን እዩ፡ ስለዚ ጽንዑ፡ ትብዑ፡ ኣይትፍርሁ፡ ብኣታቶም ኣይትሸበሩ።
   7ሙሴ ድማ ንእያሱ ጸዊዑ ኣብ ቅድሚ ዅሉ እስራኤል በሎ፡ ንስኻ ምስ እዚ ህዝቢ እዚ ናብታ እግዚኣብሄር ነቦታቶም ክህቦም ዝመሓለሎም ምድሪ ኽትኣቱ፡ ንስኻ ድማ ከተረስትዮም ኢኻ እሞ፡ ጽናዕ ትባዕ ከኣ። 8እቲ ቐቅድሜኻ ዝኸይድ ድማ ንሱ እግዚኣብሄር እዩ፡ ንሱ ምሳኻ ክኸውን እዩ፡ ኣይጠልመካን ኣይሓድገካን ከኣ፡ ኣይትፍራህ ኣይትሸበር ድማ።
   9ሙሴ ድማ እዚ ሕጊ እዚ ጽሒፉ፡ ነቶም ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ዝጾሩ ኻህናት፡ ደቂ ሌዊን ንብዘለዉ ዓበይቲ እስራኤልን ሃቦም። 10ሙሴ ኸኣ ከምዚ ኢሉ ኣዘዞም፡ ኣብ መወዳእታ ሸሾብዓተ ዓመት፡ በታ ምድብቲ ግዜ ዓመት ሕድገት፡ ብበዓል ዳስ፡ 11ኣብታ ዝሓረያ ቦታ ብዘለዉ እስራኤል ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኽርኣዮ ምስ መጹ፡ ሽዑ ኽሰምዕዎስ ነዚ ሕጊ እዚ ኣብ ቅድሚ ዅሉ እስራኤል ኣንብቦ። 12-13ምእንቲ ኽሰምዑን ክመሃሩን እሞ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ክፈርህዎ፡ ኵሉ ቓላት እዚ ሕጊ እዚ ድማ ንምግባሩን ኽጥንቀቑ፡ እቶም ዘይፈልጡ ደቆም ድማ ክሰምዑን ክመሃሩን፡ ኣብታ ኽትወርስዋ፡ ናብኣ ንዮርዳኖስ እትሳገሩ ዘሎኹም ምድሪ ብዅሉ ዘበን ህይወትኩም ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ክፈርህዎ፡ ነቲ ህዝቢ፡ ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን ኣብ ደጌታትካ ዘሎ ጓናኻን፡ ኣክቦም።
   14እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ እትሞተላ መዓልቲ ቐሪባ እንሃ፡ ንእያሱ ናባኻ ጸውዓዮ፡ ኣነ ምእንቲ ኽእዝዞ ኸኣ፡ ኣብ ድንኳን ምርኻብ ተረኸቡ፡ በሎ። ሙሴን እያሱን ድማ ከይዶም ኣብ ድንኳን ምርኻብ ተረኽቡ። 15እግዚኣብሄር ከኣ ኣብቲ ድንኳን ብዓንዲ ደበና ተራእየ። እቲ ዓንዲ ደበና ኸኣ ኣብ ልዕሊ ኣፍ ድንኳን ቈመ። 16እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ በሎ፡ እኔኻ፡ ምስ ኣቦታትካ ኽትድቅስ ኢኻ፡ እዚ ህዝቢ እዚ ኸኣ ክትንስእ እዩ፡ ደድሕሪ እቶም ናይታ ኣብኣ ዝኣትዋ ዘሎ ምድሪ፡ ጓኖት ኣማልኽቲ ኽምንዝር እዩ፡ ሓዲጉኒ ኸኣ ነቲ ምስኡ ዝኣቶኽዎ ኪዳን ከፍርሶ እዩ። 17በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ቁጥዓይ ኣብኦም ክነድድ እዩ፡ ክሓድጎም ገጸይውን ክሓብኣሎም እየ፡ ክውሓጡ ድማ እዮም፡ ብዙሕ ሕሱም ነገርን ጸበባን ክረኽቦም እዩ እሞ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ኣምላኽና ኣብ ማእከልና ስለ ዘየሎዶ ኣይኰነን እዚ ሕሱም ነገር እዚ ረኺቡና ዘሎ፧ ክብሉ እዮም። 18ስለ እቲ ናብ ካልኦት ኣማልኽቲ ብምምላሶም ዝገበርዎ ዅሉ ኽፉእ ከኣ፡ ኣነ በታ መዓልቲ እቲኣ ገጸይ ፈጺመ ኽሓብእ እየ።
   19ሕጂ ኸኣ እዚ መዝሙር እዚ ንኣኻትኩም ጽሓፉ፡ እሞ እዚ መዝሙር እዚ ምእንቲ ኣብ ደቂ እስራኤል ምስክር ክዀነኒ፡ ንደቂ እስራኤል ምሃሮም፡ ኣብ ኣፎም ድማ ኣንብሮ። 20ናብታ ነቦታቶም ዝመሓልኩሎም፡ ጸባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ ምስ ኣእቶኹዎም፡ እሞ በሊዖም ምስ ጸገቡን ምስ ሃጠሩን፡ ናብ ካልኦት ኣማልኽቲ ይምለሱን የምልኽዎምን፡ ንኣይ ግና ይንዕቁኒ ኪዳነይ ድማ የፍርሱ። 21ክኸውን ድማ እዩ፡ ብዙሕ ሕሰም ነገርን ጸበባን ምስ ረኸቡ፡ እዚ መዝሙር እዚ ኻብ ኣፍ ዘርኦም ኣይርሳዕን እዩ እሞ፡ ኣብ ቅድሚኦም ንምስክር ይመልሰሎም። ናብታ ዝመሓልኩሎም ምድሪ ገና ኸየእቶኽዎም እኳ፡ እቲ ሎሚ ዝሓሰብዎ ሓሳቦም እፈልጥ ኣሎኹ።
   22ሙሴ ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ እዚ መዝሙር እዚ ጸሓፈ፡ ንደቂ እስራኤል ከኣ መሃሮም።
   23ንእያሱ ወዲ ነዌ ድማ፡ ንስኻ ኢኻ ንደቂ እስራኤል ናብታ ዝመሓልኩሎም ምድሪ እተእትዎም እሞ፡ ጽናዕ፡ ትባዕ፡ ኣነውን ምሳኻ ክኸውን እየ፡ ኢሉ ኣዘዞ።
   24ኰነ ድማ፡ ሙሴ ቓላት እዚ ሕጊ እዚ ኣብ መጽሓፍ ጽሒፉ ምስ ወድአ፡ 25ሙሴ ነቶም ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ዝጾሩ ሌዋውያን ከምዚ ኢሉ ኣዘዞም፡ 26ነዚ መጽሓፍ እዚ ውሰዱ እሞ ኣብ ጎቦ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣንብርዎ፡ ኣብኡ ዀይኑ ንምስክር ይኹንካ። 27ኣነ ዕልወትካን ትሪ ኽሳድካን እፈልጥ ኣሎኹ እሞ፡ እንሆ፡ ሎሚ ኣነ ገና ብህይወት ምሳኻትኩም ኣሎኹ እኳ፡ ንእግዚኣብሄር ዝዓሎኹምዎስ፡ ድሕሪ ሞተይ ግዳ ኽንደይ ኣዝዩ ኽገድድ እዩ። 28ሕጂ ኸኣ ዓበይቲ ነገዳትኩምን መኳንንትኹምን ኣክቡለይ፡ እዚ ነገር እዚ ድማ ኣብ ኣእዛኖም ክዛረቦም፡ ሰማይን ምድርን ከኣ ከመስክረሎም እየ። 29ድሕሪ ሞተይ ብርግጽ ንርእስኹም ከም እተባላሽዉ፡ ካብታ ዝኣዘዝኩኹም መገዲ ድማ ከም እተግልሱ፡ እፈልጥ ኣሎኹ እሞ፡ ንእግዚኣብሄር ብግብሪ ኣእዳውኩም ከተዀርይዎ፡ ኣብ ቅድሚኡ ኽፉእ ስለ ዝገበርኩም፡ ንዳሕራይ ዘበን ሕሱም ነገር ክረኽበኩም እዩ።
   30ሙሴ ድማ ኣብ እዝኒ ዅላ ማሕበር እስራኤል፡ ቃላት እዚ መዝሙር ኽሳዕ ዝውዳእ ነገሮም።

          ዘዳግም  ምዕራፍ 32 

   1ክዛረብ እየ እሞ፡ ሰማያት ጽን በሉ፡
   ምድሪ ኸኣ ቃል ኣፈይ ትስማዕ።
   2ትምህርተይ ከም ዝናም ይኻፊ፡
   ዘረባይ ከኣ ከም ዛዕዛዓ ይውረድ።
   ከም ጥሚቕ ኣብ ልዕሊ ለምለም፡
   ከም ብርቱዕ ዝናም ኣብ ልዕሊ ሳዕሪ።
   3ስም እግዚኣብሄር እነግር ኣሎኹ እሞ፡
   ንኣምላኽና ኣዕብይዎ።
   4ኵሉ መገዱ ፍርዲ እዩ እሞ፡
   እቲ ኸውሒ ግብሩ ፍጹም እዩ፡
   ዓመጽ ዘይብሉ ኣምላኽ እምነት እዩ፡
   ንሱ ጻድቕን ቅኑዕን እዩ።
   5ንሳቶም ተባላሸውዎ፡
   ደቁ ኣይኰኑን፡ ነውራማት እዮም፡
   ሓረመኛን ቄናንን ወለዶ እዮም።
   6ኣታ ዓሻን ዘይለባምን ህዝቢ፡
   ንእግዚኣብሄር እዚዶ ትፈድይዎ፧
   እቲ ዝፈጠረካ ኣቦኻስ ንሱዶ ኣይኰነን፧
   ዝገበረካን ዘዳለወካን ንሱ እዩ።
   7እተን ጥንታውያን መዓልትታት ዘክር፡
   ዓመታት እቶም ውሉድ ወለዶ ኣስተብህሉ፡
   ነቦኻ ጠይቆ፡ ንሱ ኸኣ ከግህደልካ እዩ፡
   ዓበይትኻውን ክነግሩኻ እዮም።
   8እቲ ልዑል ንህዝብታት ምስ ኣረስተዮም፡
   ንደቂ ኣዳም ምስ ፈላለዮም፡
   ከም ቊጽሪ ደቂ እስራኤል ዶባት ህዝብታት መደበ።
   9ግደ እግዚኣብሄር ህዝቡ እዩ እሞ፡
   ያእቆብ ድማ ክፍሊ ርስቱ።
      10ኣብ ድምዊ ባድማ በረኻ፡ ኣራዊት ዘድህዩልይ፡
   ኣብ ምድሪ በረኻ ረኸቦ።
   ከበቦን ተኸናኸኖን፡ ከም መርዓት ዓይኑ ሓለዎ።
   11ንስሪ ጨጨውቱ ኸም ዘንፍር
   ኣብ ልዕሊኦም ከኣ ከም ዝዝምቢ፡
   ኣኽናፉ ዘርጊሑ ወሰዶ፡ ኣብ ከነቲቱ ኸኣ ጾሮ።
   12እግዚኣብሄር በይኑ መርሖ፡
   ምስኡ ጓና ኣምላኽ ኣይነበረን።
   13ኣወጢሑ ብበረኽቲ ምድሪ ኣሕለፎ፡
   እቶት ግራሁ በልዐ፡
   ካብ ከውሒ መዓር ኣምጸዮ፡
   ካብ ተሪር ከውሒ ኸኣ ዘይቲ።
   14ጠስሚ ላምን ጸባ በጊዕን ምስ ስብሒ ገንሸልን
   ደዓውል ባሳንን ኣጣልን ምስ ስብሒ ፍቱግ ስርናይ፡
   ካብ ደም ኣስካል ከኣ ወይኒ ሰቴኻ።
      15ይሹሩን ግና ሃጠረ እሞ ተናድሐ፡
   ሰባሕካ፡ ረጐድካ፡ ከረሽካ።
   ሽዑ ነቲ ዝገበሮ ኣምላኽ ሓደጎ፡
   ንኸውሒ ምድሓኑ ነዓቖ።
   16ብጓኖት ኣማልኽቲ ኣቕንእዎ፡
   ብጽያፍ ኣናደድዎ።
   17ኣምላኽ ንዘይኰኑ ኣጋንንቲ፡
   ንዘይፈልጥዎም ኣማልኽቲ፡
   ኣቦታትኩም ንዘይፈርህዎም፡
   ሕጂ ቕሩብ ንዝመጹ ሓደስቲ ኣማልኽቲ ሰውኡ።
   18ዝወለደካ ኸውሒ ሓደግካ፡
   ዝፈጠረካ ኣምላኽ ድማ ረሳዕካ።
      19ኣወዳቱን ኣዋልዱን ስለ ዘዀረይዎ፡
   እግዚኣብሄር ከኣ ርእዩ ደርበዮም።
   20በለ ድማ፡ ንሳቶም ሓረመኛ ወለዶ፡
   እምነት ዘይብሎም ደቂ እዮም እሞ፡
   ጸይ ክሓብኣሎም እየ፡
   መወዳእታኦም እንታይ ምዃኑ ኽርኢ እየ።
   21ንሳቶም ኣምላኽ ብዘይኰነ ኣቕንኡኒ፡
   ብኸንቱነቶም ኣዀረዩኒ።
   ኣነ ኸኣ ህዝቢ ብዘይኮነ ከቕንኦም፡
   ብዓሻ ህዝቢ ከዀርዮም እየ።
   22ብዅራይ ሓዊ ነዲዱ እዩ እሞ፡
   ክሳዕ ታሕታይ ሲኦል ይነድድ፡
   ንምድሪ ምስ ፍሬኣ ይበልዓ፡
   መሰረታት ኣኽራን ድማ የሕርር።
   23ክፉእ ኣብ ልዕሊኦም እእክብ፡
   ፍላጻይ እውርውረሎም።
   24ብጥሜት ይምህምኑ፡
   ብረስኒ ዓሶን ብመሪር ፌራን ይብልዑ።
   ኣስናን ኣራዊት
   ምስ ሕንዚ ለመምታ ምድሪ ኽሰደሎም እየ።
   25ሴፍ ኣብ ወጻኢ፡
   ኣብ ውሽጢ ቤትውን ፍርሃት፡
   ንጐበዝን ንቘንጆን
   ንዝጠቡ ምስ ሸያብ ክውድኦም እዩ።
   26ምበልኩ፡ ፋሕ ከብሎም፡
   መዘከርታኦም ካብ ማእከል ሰብ ክጥርስ።
   27ግናኸ ምቊንጻብ ጸላኢ ፈራህኩ፡
   እቶም ወደረኛታቶም ተጋግዮም፡
   ነዚ ዅሉ እታ ልዕልቲ ኢድና ደኣ እምበር፡
   እግዚኣብሄር ኣይኰነን ዝገበሮ፡ ከይብሉ።
      28ምኽሪ ዝጠፍኦም ህዝቢ እዮም እሞ፡
   ምስትውዓል ከኣ የብሎምን።
   29ነዚ ኸስተውዕልዎ፡ ነቲ ዳሕራዮም ድማ ክሓስቡስ፡
   ለባማት ደኣ እንተ ዝዀኑ።
   30እቲ ኸውሖም እንተ ዘይሸጦም፡
   እግዚኣብሄር ከኣ ኣሕሊፉ እንተ ዘይህቦምሲ፡
   ከመይ ገይሩ ደኣ ሓደስ ንሽሕ ይሰጎም፧
   ክልተስ ንዓሰርተ ሽሕ የህድምዎም፧
   31እቲ ኸውሖም ከም ከውሕና ኣይኰነን እሞ፡
   ጸላእትና ድማ በዚ ፈረዲ እዮም።
   32ወይኖም ካብ ወይኒ ሶዶም፡
   ካብ ግራት ጎሞራ ኸኣ እዩ እሞ፡
   ዘቢቦም መርዛም ዘቢብ፡
   ኣስካሎም ድማ መሪር እዩ።
   33ወይኖም ሕንዚ ገበል
   ዝበርትዐ ሕንዚ መንደላይ ተመን ከኣ እዩ።
   34እዚ ኣባይ ተኣርኒቡ፡
   ኣብ መዝገበይ ከኣ ተሓቲሙዶ ኣይኰነን፧
   35መዓልቲ ጥፍኣቶም ቀረባ፡
   እቲ እተዳለወሎም ከኣ ቀልጢፉ ኽመጽእ እዩ እሞ፡
   በታ ኣእጋሮም ዝሰናኸለላ ግዜ፡
   ምፍዳይ ሕነን ምኽሓስን ናተይ እዩ።
   36ሓይሎም ከም እተወድአ፡
   እተዓጽወን እተሓድገን ከም ዘየልቦ ድማ ምስ ረኣየ፡
   እግዚኣብሄር ንህዝቡ ኽብይን እዩ እሞ፡
   ንባሮቱ ኸኣ ክርሕርሓሎም እዩ።
   37-38ሽዑ ይብል፡ እቶም ኣማልኽቶም፡
   እቲ ዝእመንዎ ኸውሒ፡
   እቶም ስብሒ መስዋእቲ ሕሩዶም ዝበልዑ፡
   ወይኒ መስዋእቲ መስቴኦም ከኣ ዝሰተዩ ኣበይ ኣለዉ፧
   ይተንስኡ እሞ ይርድኡኹም፡
   መጸግዒውን ይኹኑኹም።
   39ኣነ፡ ኣነ እየ ንሱ፡
   ምሳይ ካልእ ኣምላኽ ከም ዘየልቦ ድማ፡ ሕጂ ርኣዩ።
   ኣነ እቐትል ህያው እገብር፡
   ኣነ አቚስል እፍውስ ድማ፡
   ካብ ኢደይ ዘድሕን ከኣ የልቦን።
   40ኢደይ ንሰማይ ኣልዕል እሞ፡
   ኣነ ንዘለኣለም ህያው እየ፡ እብል።
   41ነቲ ዘንበልብል ሴፈይ ምስ ሰሓልኩ፡
   ኢደይውን ፍርዲ ምስ እትሕዝ፡
   ንተጻረርተይ ክብቀሎም እየ፡
   ንዝጸልኡኒውን ክፈድዮም እየ፡
   42ካብ ደም ቅቱላትን ምሩኻትን
   ንፍላጻታተይ ብደም ከስክሮ እየ።
   ሴፈይ ድማ ካብ ርእሲ መራሕቲ እቲ ጸላኢ፡
   ስጋ ኽውሕጥ እዩ።
   43ንደም ባሮቱ ተበቂሉ፡
   ንመጻርርቱ ሕነ ኽፈዲ፡
   ንምድሩ፡ ንህዝቡ ኽዕረቕ እዩ እሞ፡
   ኣቱም ህዝብታት፡ ምስ ህዝቡ ተሓጐሱ።
   44ሙሴ ድማ፡ ንሱ ምስ እያሱ ወዲ ነዌ፡ መጺኡ ኣብ እዝኒ እቲ ህዝቢ ዅሉ ቓላት እዚ መዝሙር እዚ ተዛረበ።
   45ሙሴ ኸኣ ኵሉ እዚ ነገር እዚ ንዅሉ እስራኤል ተዛሪቡ ወድአ፡ 46በሎም ድማ፡ እዚ ኣነ ሎሚ ዝምስክረልኩም ዘሎኹ ኽሉ ቓላት ንደቅኹም ተጠንቂቖም ክገብርዎ ኽትእዝዝዎም፡ ዅሉ ቓላት እዚ ሕጊ እዚ ኣብ ልብኹም ኣንብርዎ። 47እዚ ነገር እዚ ህይወትኩም እዩ እምበር፡ ከንቱ ነገር ኣይኰነን፡ ኣብታ ንስካትኩም ክትወርስዋ ንዮርዳኖስ እትሳገርዎ ዘሎኹም ምድሪ ድማ በዚ ነገር እዚ መዓልትታትኩም ተንውሑ።
   48እግዚኣብሄር ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ ንሙሴ ከምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ 49ናብዚ ኣብ መንጽር ያሪኮ፡ ኣብ ምድሪ ሞኣብ ዘሎ ኸረን ዓባሪም፡ ናብ ከረን ኔቦ፡ ደይብ፡ እሞ ነታ ኣነ ንደቂ እስራኤል ንርስቲ ዝህቦም ምድሪ ኸነኣን ርኣያ። 50ከምቲ ኣሮን ሓውካ ኣብ ከረን ሁር ዝሞተ፡ ናብ ህዝቡ ኸኣ እተኣከበ፡ ንስኻ ድማ ኣብቲ እትድይቦ ኸረን ሙት፡ ናብ ህዝብኻውን ተኣከብ። 51እዚ ኣብ ማይ መሪባ፡ ኣብ ቃዴስ ኣብ በረኻ ሲን ኣብ ማእከል ደቂ እስራኤል ስለ ዝዓመጽኩምን፡ ኣብ ማእከል ደቂ እስራኤል ከኣ ስለ ዘይቀደስኩምኒ እዩ። 52ነታ ኣነ ንደቂ እስራኤል ዝህቦም ምድሪ ኣማዕዲካ ትርእያ፡ ናብኣ ግና ኣይትኣቱን ኢኻ።

        ዘዳግም  ምዕራፍ 33            

     1ሙሴ፡ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ቅድሚ ሞቱ ንደቂ እስራኤል ዝባረኾም በረኸት እዚ እዩ። 2በለ ድማ፡

እግዚኣብሄር ካብ ሲና መጸ፡

ካብ ሰዒር ድማ ተላዕለሎም፡

ካብ ከረን ጳራን ኣንጸባረቐ፡

ካብ ኣእላፋት ቅዱሳን መጸ፡

ካብ የማናዩ ናይ ሕጊ ሓዊ ወጸሎም።

3እወ፡ ንሱ ንህዝብታት የፍቅሮም፡

ኵሎም ቅዱሳኑ ኣብ ኢድካ እዮም፡

ኣብ እግርካ ይቕመጡ፡

ካብ ቃላትካ ድማ ይቕበሉ።

4ሙሴ ኸኣ ሕጊ፡

ርስቲ ማሕበር ያእቆብ፡ ኣዘዘና።

5ሓላቑ ህዝቢ፡

ነገዳት እስራኤል ዅሎም ብሓደ ምስ ተኣከቡ፡

ንሱ ኣብ ይሹሩን ንጉስ ነበረ።

   6ሮቤል ይንበር፡ ኣይሙት፡

ሰቡ ግና ሒደት ይኹኑ።

   7ንይሁዳ ኸኣ እዚ እዩ፡

በለ ድማ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡

ቃል ይሁዳ ስማዕ፡

ናብ ህዝቡ ከኣ ኣእትዎ፡

ኣእዳዉ ይጽንዓሉ፡

ካብ ተጻረርቱ ረዳኢ ኹኖ።

   8ብዛዕባ ሌዊ ድማ በለ፡

ቱሚምካን ኡሪምካን ነቶም ሕያዎት ሰብካ እዮም፡

ነቶም ኣብ ማሳ ዝፈተንካዮም፡

ነቶም ኣብ ማይ መሪባ እተኸራኸርካዮም፡

9ብዛዕባ ኣቦኡን ኣዲኡን፡ ኣይርኤኽዎምን፡ ዝበለ፡

ነሕዋቱ ኣየለለዮምን፡

ንደቁ ኸኣ ኣይፈለጦምን።

ቃልካ ሓልዮም እዮም እሞ፡ ኪዳንካ ኣጽንዑ።

10ንያእቆብ ፍርድታትካ፡

ንእስራኤል ድማ ሕግኻ ኽምህሩ፡

ዕጣን ናብ ኣፍንጫኻ፡

ምሉእ ዝሓርር መስዋእቲውን

ኣብ መሰውኢኻ ከቕርቡ እዮም።

11ዎ እግዚኣብሄር፡ ሓይሉ ባርኽ:

ግብሪ ኢዱ ኸኣ ተቐበል።

መሊሶም ከይትንስኡስ፡

ሓቘቑ እቶም ዝጸልእዎ መጻርርቱ ስበር።

   12ብዛዕባ ብንያም በለ፡

ፍቁር እግዚኣብሄር ምስኡ ብህድኣት ክነብር እዩ፡

ምሉእ መዓልቲ የጽልሎ፡

ኣብ መንጎ መንኩቡ ድማ ይሓድር።

   13ብዛዕባ ዮሴፍ ድማ በለ፡

ምድሩ ብእግዚኣብሄር እተባረኸት ትኹን፡

በቲ ኽቡር ናይ ሰማይ ነገርን ብኣውልን፡

በቲ ኣብ ታሕቲ ንቡር ዘሎ መዓሙቚ፡

14በቲ ኽቡር እቶት ጸሓይ፡

በቲ በዋርሕ ዝበቊል ክቡር ነገር ከኣ።

15በቲ ናይ ጥንታውያን ኣኽራን ዝሐሸ ነገር፡

በቲ ናይ ዘለኣለም ኵርባታት ድማ ዝኸበረ ነገር፡

16በቲ ናይ ምድሪ ኽቡር ነገርን ምልኣታን፡

በቲ ኣብ ኣሻዅ ቈጥቋጥ ዝነበረ ሞገስውን፡

እዚ ኣብ ርእሲ ዮሴፍ፡

ኣብ መንበስበስታ እቲ ኻብ ኣሕዋቱ እተፈለየ ይምጻእ።

17ግርማ እቲ በዅሪ ኣርሓኡ ናቱ እዩ፡

ኣቕርንቱ ኣቕርንቲ ጎባይ እዩ፡

ብእኡ ገይሩ ንዅሎም ህዝብታት

ክሳዕ ወሰናት ምድሪ ይወግኦም፡

እዚኣቶም ኣእላፋት ኤፍሬምን ኣሽሓት ምናሴን እዮም።

   18ብዛዕባ ዛብሎን ድማ በለ፡

ኣታ ዛብሎን፡ ብምውጻእካ ባህ ይበልካ።

ኣታ ይሳኮርውን ኣብ ድንኳናትካ።

19ሃብቲ ባሕርን ኣብ ሑጻ እተሓብኡ መዝገብን

ክጠብዉ እዮም እሞ፡

ንህዝብታት ናብ ከረን ክጽውዑ፡

ኣብኡ መስዋእቲ ጽድቂ ከቕርቡ እዮም።

   20ብዛዕባ ጋድ ድማ በለ፡

እቲ ንጋድ ዘግፍሐ ብሩኽ ይኹን።

ከም ኣንስተይቲ ኣንበሳ ይሰፍር፡

ቅልጽምን መንበስበስታን ይሰብር፡

21ግደ ሓጋጊ ኣብኡ ተዓቚሩ ነበረ እሞ፡

እቲ ቐዳማይ ንርእሱ ሓረየ፡

ምስ ሓላቑ ህዝቢ መጸ፡

ምስ እስራኤል ኰይኑ ኸኣ

ጽድቂ እግዚኣብሄርን ፍርዱን ፈጸመ።

   22ብዛዕባ ዳን ድማ በለ፡

ዳን ካብ ባሳን ዝዘልል

ሽደን ኣንበሳ እዩ።

   23ብዛዕባ ንፍታሌምውን በለ፡

ንፍታሌም በረኸት እግዚኣብሄር ዝመልኦ፡

ጽጉብ ጸጋ እዩ፡

ንስኻ ንምዕራብን ንደቡብን ውረስ።

   24ብዛዕባ ኣሴር ከኣ በለ፡

ኣሴር በወዳት ብሩኽ፡

በሕዋቱውን ፍትዊ ይኹን።

ኣእጋሩ ኸኣ ኣብ ዘይቲ ይጥለቕ።

25መሸጐሪኻ ሓጺንን ኣስራዝን፡

ሓይልኻ ድማ ከም መዓልትታትካ ይኹን።

   26ዎ ይሹሩን፡ ነቲ ንረድኤትካ

ብልዕልናኡ ኣብ ደበናታትን

ኣብ ሰማያትን እተወጥሐ ኣምላኽ

ዝመስሎ የልቦን።

27እቲ ኣምላኽ ጥንቲ መንበሪኻ እዩ፡

እተን ዘለኣለማውያን ቀላጽሙ ድማ ኣብ ታሕቲ ኣለዋ፡

ንጸላኢ ኻብ ቅድሜካ ሰጐጎ፡

ኣጥፍእ፡ ድማ በለ።

28እስራኤል ብህድኣት ይነብር፡

እቲ በይኑ ዘሎ ዔላ ያእቆብ

ኣብ ምድሪ ስርናይን ወይንን እዩ፡

ሰማዩ ድማ ኣውሊ የንጠብጥብ።

29ዎ እስራኤል፡ ብጹእ ኢኻ፡

ብእግዚኣብሄር ዝደሓነ ህዝቢ መን እዩ ኸማካ፧

ዋልታ ሓገዝካ፡

ንሱ ድማ ሴፍ ሓበንካ እዩ።

ጸላእትኻ ኽግዝኡ እዮም፡

ንስኻ ድማ ኣብ ልዕሊ በረኽቶም ክትረግጽ ኢኻ፡

        ዘዳግም  ምዕራፍ 34            

   1ሙሴ ድማ ካብ ጐልጐል ሞኣብ ናብ ከረን ኔቦ ናብ ርእሲ እቲ ኣብ መንጽር ያሪኮ ዘሎ ጲስጋ ደየበ። እግዚኣብሄር ከኣ ንብዘላ ሃገር ጊልኣድ ክሳዕ ዳን ኣርኣዮ። 2ብዘላ ንፍታሌምን ሃገር ኤፍሬምን ምናሴን፡ ብዘላ ምድሪ ይሁዳ ኸኣ ክሳዕ ባሕሪ ምዕራብ፡ 3እቲ ደቡብ ድማ፡ እቲ ጐልጐል ለሰ ያሪኮ፡ ከተማ ተምሪ፡ ክሳዕ ጾኣር ኣርኣዮ። 4እግዚኣብሄር ድማ፡ እታ ንኣብርሃምን ንይስሃቅን ንያእቆብን፡ ንዘርእኻ ኽህባ እየ ኢለ ዝመሓልኩሎም ምድሪ፡ እዚኣ እያ፡ ብዓይንኻ ኣርኣኹኻ፡ ናብኣ ግና ኣይትሳገርን፡ በሎ።
   5ሙሴ ባርያ እግዚኣብሄር ከምቲ ቓል እግዚኣብሄር፡ ኣብ ምድሪ ሞኣብ ኣብኣ ሞተ። 6ኣብ ምድሪ ሞኣብ፡ ኣብ መንጽር ቤትጴኦር ኣብ ዘሎ ለሰ ቐበሮ። ክሳዕ ሎም መዓልቲ ከኣ ንመቓብሩ ዝፈልጦ ሰብ የልቦን። 7ሙሴ ኽመውት ከሎ፡ ወዲ ሚእትን ዕስራን ዓመት ነበረ፡ ኣዒንቱ ኣይሓመቓን ሓይሉውን ኣይደኸመን ነበረ። 8ደቂ እስራኤል ድማ ንሙሴ ኣብ ጐላጕል ሞኣብ ሰላሳ መዓልቲ በኸዩሉ። እተን ንሙሴ ዝበኸዩለን መዓልታት ሓዘኖም ብእኡ ተወድኣ።
   9ንእያሱ ወዲ ነዌ ድማ፡ ሙሴ ኢዱ ስለ ዘንበረሉ፡ መንፈስ ጥበብ መልኦ። ደቂ እስራኤል ከኣ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ገይሮም ተኣዘዝዎ። 10-12በቲ ኣብ ምድሪ ግብጺ ኣብ ፈርኦን፡ ኣብ ገላዉኡን ኣብ ብዘላ ምድሩን ተእምርትን ተኣምራትን ክገብር፡ እግዚኣብሄር ዝለኣኾ። በቲ ዅሉ ናይ ሓያል ኢድን በቲ ሙሴ ኣብ ቅድሚ ዅሎም እስራኤል ዝገበሮ ኹሉ ዓብዪ መፍርህ ነገርን ከምቲ እግዚኣብሄር ገጽ ንገጽ ዝፈለጦ ኸም ሙሴ ዝበለ ነብዪ፡ ድሕሪኡ ኣብ እስራኤል ኣይተንስአን።


Leave a Reply

መጽሓፍ ቅዱስ ትግርኛ
ብሉይን ሓድሽን ኪዳን
ብሉይ ኪዳን
ሓድሽ ኪዳን
መጽሓፍ ቅዱስ ትግርኛ
ብሉይን ሓድሽን ኪዳን

ብሉይ ኪዳን

ሓድሽ ኪዳን