ካልኣይ መጽሓፍ ነገስት
1 2 3 4 5 6 7 8 9
10 11 12 13 14 15
16 17 18 19 20 21
22 23 24 25
2ይ ነገስት ምዕራፍ 1
1ድሕሪ ሞት ኣከኣብ ድማ ሞኣብ ካብ እስራኤል ዓለወ።2ኣሓዝያ ኸኣ ካብታ ኣብ ሰማርያ ዘላ-ደርቢ ቤቱ ብዓይነ ርግቢ ጸደፈ እሞ ሓመመ፣። ሽዑ ልኡኻት ሰዲዱ፡ ኪዱ እሞ ካብዚ ሕማመይ ዝሓዊ እንተ ዀይነ፡ ንበዓል-ዜቡብ ኣምላኽ ዔቅሮን ሕተቱለይ፡ በሎም።3-4ግናኸ መልኣኽ እግዚኣብሄር ንኤልያስ ቲስቢታዊ፡ ተንስእ፡ ነቶም ልኡኻት ንጉስ ሰማርያ ኽትቀባበሎም ደይብ እሞ፡ እቲ ንበዓል-ዜቡብ ኣምላኽ ዔቅሮን ክትሓቱ ዝኸድኩምሲ፡ ኣብ እስራኤልዶ ኣምላኽ የልቦን እዩ፧ ስለዚ ኸኣ ርግጽ ትመውት እምበር፡ ካብቲ ደዪብካዮ ዘሎኻ ዓራት ኣይትወርድን ኢኻ፡ ይብል ኣሎ እግዚኣብሄር በሎም፡ ኢሉ ተዛረቦ። ኤልያስ ከኣ ኸደ።
5እቶም ልኡኻት ድማ ናብኡ ተመልሱ። ንሱ ኸኣ፡ እንታይ ኴንኩም ኢኹም እተመለስኩም፧ በሎም።6ንሳቶም ድማ በልዎ፡ ሓደ ሰብኣይ ክቃባበለና ደዪቡ፡ ናብቲ ዝለኣኸኩም ንጉስ ተመሊስኩም፡ እቲ ንበዓል-ዜቡብ ኣምላኽ ዔቅሮን ክትሓትት ዝለኣኽካስ፡ ኣብ እስራኤልዶ ኣምላኽ የልቦን እዩ፧ ስለዚ ርግጽ ትመውት እምበር፡ ካብቲ ደዪብካዮ ዘሎኻ ዓራት ኣይትወርድን ኢኻ፡ ይብል ኣሎ እግዚኣብሄር ኢልኩም ተዛረብዎ፡ በለና። 7ንሱ ኸኣ፡ እቲ ኽቃባበለኩም ደዪቡስ እዚ ዘረባ እዚ እተዛረበኩም ሰብኣይከ ኸመይ ዝበለ እዩ፧ በሎም። 8ንሳቶም ድማ፡ ማቕ እተኸድነ፡ ኣብ ሕቜኡ ኸኣ ፈልቁ እተዓጥቀ ሰብኣይ እዩ፡ በልዎ። እቲ ንጉስ ድማ፡ ንሱ ኤልያስ ቲስቢታዊ እዩ፡ በለ።
9እቲ ንጉስ ከኣ ሓደ ሓለቓ ሓምሳ ምስቶም ሓምሳኡ ገይሩ ሰደደሉ። ንሱ ድማ ናብኡ ደየበ፡ እንሆ ኸኣ፡ ንሱ ኣብ ርእሲ ኸረን ኮፍ ኢሉ ነበረ እሞ፡ ኣታ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ እቲ ንጉስ፡ ውረድ። ይብለካ ኣሎ፡ በሎ።10ኤልያስ ድማ ነቲ ሓለቓ ሓምሳ፡ ናይ ኣምላኽ ሰብ እንተ ዀይነስ፡ ሓዊ ኻብ ሰማይ ይውረድ፡ ንኣኻን ነዞም ሓምሳኻን ከኣ ይብላዕኩም፡ ኢሉ መለሰሉ። ሽዑ ሓዊ ኻብ ሰማይ ወሪዱ ንእኡን ነቶም ሓምሳኡን በልዖም።11መሊሱ ድማ ካልእ ሓለቓ ሓምሳ ምስ ሓምሳኡ ገይሩ ሰደደሉ፡ እዚ ኸኣ፡ ኣታ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ እቲ ንጉስ ቀልጢፍካ ውረድ ይብለካ ኣሎ፡ ኢሉ ተዛረቦ።12ኤልያስ ድማ፡ ኣነ ናይ ኣምላኽ ሰብ እንተ ዀይነስ፡ ሓዊ ኻብ ሰማይ ይውረድ፡ ንኣኻን ነዞም ሓምሳኻን ከኣ ይብላዕኩም፡ ኢሉ መለሰሉ። ሽዑ ናይ ኣምላኽ ሓዊ ኻብ ሰማይ ወሪዱ ንእኡን ነቶም ሓምሳኡን በልዖም።13መሊሱ ድማ ሳልሳይ ሓለቓ ሓምሳ ምስ ሓምሳኡ ሰደደ፡ እቲ ሳልሳይ ሓለቓ ሓምሳ ኸኣ ደየበ፡ መጺኡ ድማ ኣብ ቅድሚ ኤልያስ ብብርኩ ተንበርኪኹ ኸምዚ ኢሉ ለመኖ፡ ኣታ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ በጃኻ፡ ነፍሰይን ነፍሳት እዞም ሓምሳ ገላዉኻን ኣብ ቅድሜኻ ኽቡራት ይኹና።14እንሆ፡ ነቶም ቀዳሞት ክልተ ሓላቑ ሓምሳስ መምስ ሓምሳኦም ሓዊ ኻብ ሰማይ ወሪዱ በልዖም፡ ሕጂ ኸኣ ነፍሰይ ኣብ ቅድሜኻ ኽብርቲ ትኹን።15እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ንኤልያስ፡ ምስኡ ውረድ፡ ኣብ ቅድሚኡ ኣይትፍራህ፡ ኢሉ ተዛረቦ፡ ተንሲኡ ኸኣ ምስኡ ናብቲ ንጉስ ወረደ።16ንእኡ ድማ ተዛረቦ፡ እቲ ንበዓል-ዜቡብ ኣምላኽ ዔቅሮን ክትሓትት ልኡኻት ዝሰደድካስ፡ ኣብ እስራኤልዶ ነገሩ እትሓቶ ኣምላኽ የልቦን እዩ፧ ስለዚ ርግጽ ትመውት እምበር፡ ካብዚ ደዪብካዮ ዘሎኻ ዓራት ኣይትወርድን ኢኻ፡ ይብል ኣሎ እግዚኣብሄር።17ከምቲ ኤልያስ እተዛረቦ ቓል እግዚኣብሄር ድማ ሞተ። ወዲ ኣይነበሮን እሞ፡ ኣብ ክንዳኡ ዮራም ነገሰ። እዚ ኸኣ ኣብ ካልኣይቲ ዓመቱ ንዮራም ወዲ ዮሳፋጥ ንጉስ ይሁዳ ዀነ።
18እቲ ዝተረፈ ኣሓዝያ ዝገበሮ ነገሩ፡ ንሱ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት እስራኤልዶ ተጽሒፉ ኣየሎን፧
2ይ ነገስት ምዕራፍ 2
1ኰነ ድማ፡ እግዚኣብሄር ንኤልያስ ብህቦብላ ንፋስ ንሰማይ ከዕርጎ ምስ ደለየ፡ ኤልያስ ምስ ኤልሳእ ካብ ጊልጋል ከደ። 2ኤልያስ ከኣ ንኤልሳእ፡ እግዚኣብሄር ክሳዕ ቤት-ኤል ልኢኹኒ እዩ እሞ፡ በጃኻ፡ ኣብዚ ጽናሕ፡ በሎ። ኤልሳእ ግና፡ ከይሓድገካ እግዚኣብሄር ህያው እዩ፡ ነፍስኻውን ህያው እያ፡ በለ። ናብ ቤት-ኤል ድማ ወረዱ። 3እቶም ኣብ ቤት-ኤል ዝነበሩ ደቂ ነብያት ከኣ ናብ ኤልሳእ ወጺኦም፡ እግዚኣብሄር ንጐይታኻ ሎሚ ኻብ ልዕሊ ርእስኻ ኸም ዝወስዶዶ ፈሊጥካ ኣሎኻ፧ በልዎ። እወ፡ ኣነ ድማ ፈሊጠ ኣሎኹ፡ ስቕ ደኣ በሉ፡ በለ። 4ኤልያስ ከኣ፡ ኣታ ኤልሳእ፡ እግዚኣብሄር ናብ ያሪኮ ልኢኹኒ እዩ እሞ፡ በጃኻ፡ ኣብዚ ጽናሕ፡ በሎ። ንሱ ድማ፡ ከይሓድገካ እግዚኣብሄር ህያው እዩ፡ ነፍስኻውን ህያው እያ፡ በለ። ናብ ያሪኮ ኸኣ መጹ። 5ኣቶም ኣብ ያሪኮ ዝነበሩ ደቂ ነብያት ድማ ናብ ኤልሳእ ቀሪቦም፡ እግዚኣብሄር ንጐይታኻ ሎሚ ኻብ ልዕሊ ርእስኻ ኸም ዝወስዶዶ ትፈልጥ ኣሎኻ፧ በልዎ። እወ፡ ኣነ ድማ ፈሊጠ ኣሎኹ፡ ስቕ ደኣ በሉ፡ በለ። 6ኤልያስ ድማ፡ እግዚኣብሄር ናብ ዮርዳኖስ ልኢኹኒ እዩ እሞ፡ በጃኻ፡ ኣብዚ ጽናሕ፡ በሎ። ንሱ ግና፡ ከይሓድገካ እግዚኣብሄር ህያው እዩ፡ ነፍስኻውን ህያው እያ፡ በለ። ክልቲኦም ከኣ ኸዱ። 7ካብ ደቂ ነብያት ድማ ሓምሳ ሰብ ከይዶም ኣብ ርሑቕ ኰይኖም ኣብ መንጽሮም ደው በሉ፡ እቶም ክልተ ኸኣ ኣብ ዮርዳኖስ ደው በሉ። 8ሽዑ ኤልያስ ነታ ባርኖሱ ወሲዱ ጠቕሊሉ ነቲ ማይ ወቕዖ፡ ናብዝን ናብትን ድማ ተመቕለ፡ ክልቲኦም ድማ ብንቑጽ ተሳገሩ።
9ኰነ ኸኣ፡ ምስ ተሳገሩ፡ ኤልያስ ንኤልሳእ፡ ገና ኻባኻ ኸይተወሰድኩ እቲ ኽገብረልካ እትደልዮ ለምን፡ በሎ። ኤልሳእ ድማ፡ በጃኻ፡ እቲ መንፈስካ ኣብ ልዕለይ ዕጽፊ ይኹን፡ በለ። 10ንሱ ኸኣ፡ ዘሸግር ነገር ለመንካ። ካባኻ ኽውሰድ ከሎኹ እንተ ርኣኻኒ ግና፡ ከምኡ ክዀነልካ እዩ፡ እንተ ዘይኰነ ግና፡ ኣይኸውንን እዩ፡ በለ። 11ኰነ ኸኣ፡ እናተዛራረቡ ክኸዱ ኸለዉ፡ እንሆ፡ ሰረገላ ሓውን ኣፍራስ ሓውን፡ ኣብ መንጎኦም መጺኡ ንኽልቲኦም ፈላለዮም። ኤልያስ ድማ ብህቦብላ ንፋስ ናብ ሰማይ ዓረገ። 12ኤልሳእ ከኣ እዚ ርእዩ፡ ኣቦይ፡ ኣቦይ፡ ሰረገላ እስራኤልን ፈረሰኛታቱን፡ ኢሉ ጨደረ። መሊሱ ድማ ኣይረኣዮን። ነቲ ኽዳውንቱ ሒዙ ኸኣ ኣብ ክልተ ተርተሮ። 13ነቲ ባርኖስ ኤልያስ፡ ካብኡ ዝወደቐ፡ ኣልዒሉ ኸኣ፡ ተመሊሱ ኣብ ገምገም ዮርዳኖስ ደው በለ። 14ነቲ ባርኖስ ኤልያስ፡ ካብኡ ዝወደቐ፡ ድማ ወሰዶ፡ ነቲ ማይ ወቒዑ ኸኣ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኤልያስከ፡ ንሱ ኣበይ ኣሎ፧ በለ። ነቲ ማይ ምስ ወቕዖ ድማ፡ ናብዝን ናብትን ተመቕለ፡ ኤልሳእ ከኣ ተሳገረ።
15እቶም ኣብ ያሪኮ ኣብ መንጽር ዝነበሩ ደቂ ንብያት ምስ ረኣይዎ ድማ፡ መንፈስ ኤልያስ ኣብ ልዕሊ ኤልሳእ ሓዲሩ ኣሎ፡ በሉ። ክቃባበልዎ መጺኦም ከኣ ኣብ ምድሪ ወዲቖም ኢድ ነስኡሉ። 16ንሳቶም ድማ፡ እንሆ፡ ምስ ገላዉኻ ሓምሳ ሓያላት ሰባት ኣለዉ እሞ፡ ንጐይታኻ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣልዒሉ ናብ ሓደ ኸረን ወይ ኣብ ሓደ ሽንጭሮ ደርብይዎ ኸይከውንሲ፡ በጃኻ፡ ከይዶም ይድለይዎ፡ በልዎ። ንሱ ግና፡ ኣይትስደዱ፡ በለ። 17ክሳዕ ዝሓፍር ግዲ ምስ በልዎ ኸኣ፡ ንሱ። ስደዱ፡ በሎም። ሓምሳ ሰብ ከኣ ሰደዱ፡ ሰለስተ መዓልቲ ድማ ደለይዎ፡ ግናኸ ኣይረኸብዎን። 18ንሱ ኣብ ያሪኮ ተቐሚጡ ኸሎ ኸኣ፡ ናብኡ ተመልሱ። ንሱ ድማ፡ ኣይትኺዱዶ ኣይበልኩኹምን፧ በሎም።
19ሰብ እታ ኸተማ እቲኣ ኸኣ ንኤልሳእ፡ እዛ ኸተማ እዚኣ፡ ከምዚ ጐይታይ እትርእዮ ዘሎኻ፡ እንሃ ኣቐማምጣኣ ጽቡቕ እዩ፡ እቲ ማይ ግና ሕማቕ እዩ፡ እዛ ሃገር ድማ መምከኒት እያ፡ በልዎ። 20ንሱ ኸኣ፡ ወዝኖ ዳንሶ ኣምጽኡለይ ጨው ድማ ግበሩሉ፡ በለ። ናብኡ ኸኣ ኣምጽኡሉ። 21ናብታ ዓይኒ ማይ ድማ ወጸ፡ ኣብኡ ጨው ደርብዩ ኸኣ በለ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኣነ ነዛ ማይ እዚኣ ፈዊሰያ እየ፡ ድሕሪ ደጊም ካብኡ ሞትን ምምካንን ኣይኸውንን። 22እቲ ማይ ከኣ፡ ከምቲ ኤልሳእ እተዛረቦ ዘረባ፡ ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ጥዑይ ኰይኑ ኣሎ።
23ካባኡ ኸኣ ናብ ቤት-ኤል ደየበ። ብመገዲ ኽድይብ ከሎ ድማ፡ ናእሽቱ ቘልዑ ኻብታ ኸተማ ወጺኦም፡ ኣታ በራሕ፡ ደይብ፡ ኣታ በራሕ፡ ደይብ፡ ኢሎም ኣላገጹሉ። 24ንድሕሪት ግልጽ ኢሉ ድማ ረኣዮም፡ ብስም እግዚኣብሄር ከኣ ረገሞም። ሽዑ ኽልተ ድቢ ኻብ ዱር ወጹ፡ ካባታቶም ድማ ኣርብዓን ክልተን ቈልዓ ሰባበሩ። 25ካብኡ ኸኣ ናብ ከረን ቀርሜሎስ ከደ፡ ካብኡውን ናብ ሰማርያ ተመልሰ።
2ይ ነገስት ምዕራፍ 3
1ንዮሳፋጥ ንጉስ ይሁዳ ኣብ መበል ዓሰርተው ሾሞንተ ዓመቱ ዮራም ወዲ ኣከኣብ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣብ ሰማርያ ነገሰ፡ ዓሰርተው ክልተ ዓመት ከኣ ገዝአ። 2ንሱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ፡ ከም ኣቦኡን ኣዲኡን ግና ኣይኰነን፡ ንሱስ ነቲ ኣቦኡ ዝገበሮ ሓወልቲ በዓል ኣርሓቖ። 3ግናኸ ኣብቲ ንእስራኤል ዘስሓተሉ ሓጢኣት የሮብዓም ወዲ ናባጥ ጠበቐ እምበር፡ ካብኡ ኣየግለሰን።
4ሜሳ ንጉስ ሞኣብ ከኣ ብዓል ኣባጊዕ ነበረ። ንንጉስ እስራኤል ድማ ሚእቲ ሽሕ ገንሸልን ሚእቲ ሽሕ ድዑል ምስ ጸጒሮምን ይግብረሉ ነበረ። 5ኰነ ኸኣ፡ ኣከኣብ ምስ ሞተ፡ እቲ ንጉስ ሞኣብ ካብ ንጉስ እስራኤል ዓለወ። 6በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ንጉስ ዮራም ካብ ሰማርያ ወጺኡ ንብዘሎ እስራኤል ቈጸረ። 7ናብ ዮሳፋጥ ንጉስ ይሁዳ ልኢኹ ኸኣ፡ ንጉስ ሞኣብ ካባይ ዓልዩ እዩ እሞ፡ ንንጉስ ሞኣብ ክንዋግኦስ፡ ምሳይዶ ትኸይድ ኢኻ፧ በሎ። ንሱ ድማ፡ ሕራይ እድይብ፡ ኣነ ኸማኻ፡ ህዝበይ ከም ህዝብኻ፡ ኣፍራሰይ ከም ኣፍራስካ፡ በለ። 8ንሱ ኸኣ፡ በየናይ መገዲኸ ንደይብ፧ በለ ።ብመገዲ በረኻ ኤዶም፡ በለ።
9ንጉስ እስራኤልን ንጉስ ይሁዳን ንጉስ ኤዶምን ድማ ኸዱ፡ መገዲ ሾብዓተ መዓልቲ ምስዞሩ ኸኣ፡ ንሰራዊቶምን ነተን ዝስዕባኦም ዝነበራ እንስሳን ማይ ሰኣኑ። 10ሽዑ እቲ ንጉስ እስራኤል። ኣየ፡ እግዚኣብሄር ነዞም ሰለስተ ነገስታት እዚኣቶም ኣብ ኢድ ሞኣብ ኣሕሊፉ ኽህቦም ጸውዖም፡ በለ። 11ዮሳፋጥ ግና፡ ብእኡ ንእግዚኣብሄር እንሓተሉ ነብዪ እግዚኣብሄርዶ ኣብዚ የልቦን፧ በለ። ሽዑ ሓደ ካብ ገላዉ ንጉስ እስራኤል፡ እቲ ናብ ኣእዳው ኤልያስ ማይ ዘፍስስ ዝነበረ ኤልሳእ ወዲ ሻፋጥ እባ ኣብዚ ኣሎ፡ ኢሉ መለሰ። 12ዮሳፋጥ ከኣ፡ ቃል እግዚኣብሄር ምስኡ ኣሎ፡ በለ። ንጉስ እስራኤልን ዮሳፋጥን ንጉስ ኤዶምን ኰይኖም ድማ ናብኡ ወረዱ። 13ኤልሳእ ከኣ ንንጉስ እስራኤል፡ ንኣይን ንኣኻን እንታይ ኣራኺቡና፧ ናብቶም ነብያት ኣቦኻን ናብ ነብያት ኣዴኻን ደኣ ኺድ፡ በሎ። እቲ ንጉስ እስራኤል ድማ፡ ኣይፋል፡ እግዚኣብሄር ነዞም ሰለስተ ነገስታት እዚኣቶም ደኣ ኣብ ኢድ ሞኣብ ኣሕሊፉ ኽህቦም እዩ ዝጸውዖም፡ በሎ። 14ኤልሳእ ከኣ፡ ንዮሳፋጥ ንጉስ ይሁዳ እንተ ዘይብልሲ፡ ኣነ ኣይምጠመትኩኻን ኣይምርኤኹኻን ድማ፡ እቲ ኣብ ቅድሚኡ ደው ኢለ ዘሎኹ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ህያው እዩ፡ 15ሕጂ ኸኣ ሓደ ብዓል በገና ኣምጽኡለይ፡ በለ። ኰነ ድማ፡ እቲ ብዓል በገና ምስ ወቕዐ፡ ኢድ እግዚኣብሄር መጸቶ፡ 16በለ ኸኣ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኣብዚ ርባ እዚ ጐዳጒዲ ኣብ ርእሲ ጐዳጒዲ ዂዓቱ። 17እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ንፋስ ኣይትርእዩን፡ ዝናምውን ኣይትርእዩን፡ እዚ ርባ ደኣ ባዕሉ ማይ ይመልእ እሞ፡ ንስኻትኩምን እንስሳኹምን ከብትኹምን ክትሰትዩ ኢኹም። 18እዚ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቀሊል እዩ እሞ፡ ንሞኣብውን ኣሕሊፉ ኣብ ኢድኩም ክህበኩም እዩ። 19ንስኻትኩም ድማ ንዂለን ዕሩዳት ከተማታትን ንዂለን ሕሩያት ከተማታትን ከተጥፍእወን ኢኹም፡ ንዂሉ ጽቡቕ ዘበለ ኦም ከኣ ክትቈርጹ፡ ኲሉ ዓይኒ ማያትውን ክትደፍኑ ኢኹም፡ ንዂሉ ጽቡቕ ዘበል ግራት ከኣ በእማን ከተብኣላሽውዎ ኢኹም። 20ኰነ ድማ፡ ንጽብሒቱ በታ መስዋእቲ ብልዒ ዝዓርገላ ግዜ፡ እንሆ፡ ማይ ብመገዲ ኤዶም ኣቢሉ መጸ፡ እታ ሃገር ከኣ ማይ መልአት።
21ብዘለዉ ሞኣባውያን ድማ እቶም ነገስታት ክዋግእዎም ከም ዝደየቡ ምስ ሰምዑ፡ ኣጽዋር ክዓጥቕ ዝኽእል ዘበለ ኻብኡ ንላዕሊውን ከቲቶም ኣብቲ ዶብ ቈሙ። 22ንግሆ ኣንጊሆም ምስ ተንስኡ። ጸሓይ ከኣ ኣብቲ ማይ ምስ ኣንጸባረቐት፡ እቶም ሞኣባውያን እቲ ማይ ኣብ መንጽሮም ከም ደም ቀዪሒ ረኣይዎ። 23ሽዑ፡ እዚ ደም እዩ፡ እቶም ነገስታት ብርግጽ ተዋጊኦም ነፍሲ ወከፍ ንብጻዩ ቐቲሉ እዩ። እምበኣር ሕጅስ፡ ኣታ ሞኣብ፡ ኪድ ማርኽ፡ በሉ። 24ናብቲ ሰፈር እስራኤል ምስ ኣተዉ ኸኣ፡ እቶም እስራኤላውያን ተንሲኦም ንሞኣባውያን ተዋግእዎም፡ ንሳቶምውን ካብ ቅድሚኦ ምሃደሙ። ንሞኣባውያን ስዒሮም ድማ ናብታ ሃገር ኣተዉ። 25ነተን ከተማታት ከኣ ኣፍረሱ፡ ንዂሉ ጽቡቕ ዘበለ ግራት ድማ ነፍሲ ወከፍ ሰብ አእምኖም ደርብዮም መልእዎ፡ ንዂሉ ዓይኒ ማያትውን ደፈንዎ፡ ንዂሉ ጽቡቕ ዘበለ ኦም ድማ ቈረጽዎ። ንቂር-ሓረሰት እምኒ ጥራይ ክሳዕ ዘትርፍዋ ሰብ ወንጭፍ ከቢቦም ተዋግእዋ። 26እቲ ንጉስ ሞኣብ ከኣ ውግእ ከም ዝበርትዖ ምስ ረኣየ፡ ጥሒሱ ናብ ንጉስ ኤዶም ክሓልፍ፡ ሾብዓተ ሚእቲ ሴፍ ዝመልሑ ሰብ ወሰደ፡ ግናኸ ኣይከኣሉን። 27ሽዑ ነቲ ኣብ ክንዳኡ ዝነግስ በዂሪ ወዱ ወሲዱ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ መካበብያ ንዝሓርር መስዋእቲ ኣዕረጎ። ኣብ ልዕሊ እስራኤል ከኣ ብርቱዕ ኲራ ዀነ እሞ፡ ካብኡ ረሓቑ፡ ናብ ሃገሮም ድማ ተመልሱ።
2ይ ነገስት ምዕራፍ 4
1ካብ ኣንስቲ ደቂ ነብያት ድማ ሓንቲ ሰበይቲ ናብ ኤልሳእ፡ ሰብኣየይ ጊልያኻ ሞይቱ እዩ፡ ጊልያኻ ኸኣ ፈራህ እግዚኣብሄር ከም ዝነበረ ትፈልጥ ኢኻ፡ በዓል ዕዳ ኸኣ ንኽልቲኦም ደቀይ ወሲዱ ባሮቱ ኽገብሮም መጺኡ ኣሎ፡ ኢላ ጠርዐት። 2ኤልሳእ ድማ፡ እንታይ እሞ ኽገብረልኪ፧ ኣብ ቤትኪ ዘሎኪ ንገርኒ፡ በላ። ንሳ ኸኣ፡ ገረድካ ብጀካ መቐርሰሚቶ ዘይቲ ኣብ ቤት ገለ እኳ የብላን፡ በለት። 3ሽዑ ንሱ በላ፡ ኪዲ እሞ ካብ ወጻኢ፡ ካብ ኲለን ጐረባብትኺ ጥራይ ዝዀነ ጐይብታት ለምኒ፡ ኣይተውሕድዮ ድማ። 4እተዊ፡ ድሕሬኽን ድሕሪ ደቅኽን ከኣ ማዕጾ ሸጒሪ፡ ናብ ኲሉ እዚ ገይብታት እዚ ኸኣ ኣዕርቕዮ፡ ዘዝመልአ ድማ ኣግልስዮ። 5ካብኡ ኸኣ ከደት እሞ። ድሕሪኣን ድሕሪ ደቃን ነታ ማዕጾ ሸጐረቶ። ንሳቶም ድማ ጐይብታት የምጽኡላ ነበሩ፡ ንሳ ኸኣ ተዕርቕ ነበረት። 6ኰነ ድማ፡ እቲ ጐይብታት ምስ መልአ፡ ንወዳ፡ ገና ኸኣ ጐይቢ ኣምጽኡለይ በለ። ንሱ ድማ፡ደጊምሲ ጐይቢ የልቦን፡ በላ። እቲ ዘይቲ ኸኣ ቈመ። 7ሽዑ ናብቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ መጺኣ ነገረቶ። ንሱ ድማ። ኪዲ፡ እቲ ዘይቲ ሽጢ እሞ ዕዳኺ ኽፈሊ፡ በቲ ዝተረፈ ኸኣ ንስኽን ደቅኽን ተናበሩ፡ በላ።
8ሓደ መዓልቲ ድማ ዀነ፡ ኤልሳእ ኣንብ ሹኔም ሓለፈ። ኣብኡ ኸኣ ሃብታም ሰበይቲ ነበረት እሞ፡ እንጌራ ኽበልዕ ግዲ በለቶ። ኰነ ድማ፡ ኲሉ ሳዕ ብእኣ ምስ ዝሓልፍ፡ እንጌራ ኽበልዕ ናብኣ የግልስ ነበረ። 9ንሰብኣያ ኽኣ፡ እንሆ እዚ ወርትግ በዚ ዝሓልፍ፡ ንሱ ቅዱስ ናይ ኣምላኽ ሰብ ምዃኑ እፈልጥ ኣሎኹ። 10እምበኣርሲ፡ በጃኻ፡ ኣብ ልዕሊ መንደቕ ንእሽቶ ቤት ንስራሕ እሞ ኣብኣ ዓራትን ሰደቓን መንበርን ቀዋሚ ቐንዴልን ንግበር። ክኸውን ድማ እዩ፡ ናባና ምስ ዝመጽእ፡ ናብኣ የግልስ፡ በለቶ። 11ኰነ ኸኣ፡ ሓንቲ መዓልቲ ናብኣ መጸ፡ ናብታ ቤት ኣግሊሱ ድማ ኣብኣ ደቀሰ። 12ንገሓዚ ድማ። እቲ ጊልያኡ፡ ነታ ሹናማዊት ጸውዖያ፡ በሎ። ምስ ጸውዓ ኸኣ፡ ኣብ ቅድሚኡ ደው በለት። 13ንሱ ኸኣ ንእኡ፡ እንሆ፡ እዚ ዂሉ ሓልዮት እዚ ሓሌኽልና፡ እንታይ እሞ ኽግበረልኪ እዩ፧ ኣብ ንጉስ ወይ ኣብ ሓለቓ ሰራዊት ዝዝረብዶ ኣሎኪ፧ በላ፡ በሎ። ንሳ ድማ፡ ኣብ ማእከል ህዝበይ እየ ተቐሚጠ ዘሎኹ፡ በለት። 14እንታይ ደኣ ኽገብረላ እየ፧ በለ። ገሓዚ ኸኣ፡ ውሉድ እምበር የብላን፡ ሰብኣያ ድማ ኣረጊት እዩ፡ በለ። 15ንሱ ኸኣ፡ ጸውዓያ፡ በለ። ምስ ጸውዓ ድማ፡ ኣብ ኣፍ ቤት ደው በለት። 16ንሱ ኸኣ፡ ንዓመታ ኸምዛ ግዜ እዚኣ ወዲ ኽትሓቑፊ ኢኺ፡ በለ። ንሳ ድማ፡ ኣይፋልካን ጐይታይ፡ ኣታ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ንገረድካ ኣይትሓስዋ፡ በለት። 17እታ ሰበይቲ ኸኣ ጠነሰት እሞ፡ ከምቲ ኤልሳእ እተዛረቦ፡ ንዓመታኡ በታ ግዜ እቲኣ ወዲ ወለደት።
18እቲ ቘልዓ ድማ ዓበየ። ኰነ ኸኣ፡ ሓንቲ መዓልቲ ናብ ኣቦኡ ናብ ዓጻዶ ወጸ። 19ነቦኡ ድማ፡ ርእሰይ፡ ርእሰይ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ ንጊልያኡ፡ ሓንጊርካ ናብ ኣዲኡ ውሰዶ፡ በሎ። 20ሓንጊሩ ኸኣ ናብ ኣዲኡ ኣእተዎ። ክሳዕ ፍርቂ መዓልቲ ድማ ኣብ ብርካ ኾፍ በለ፡ ሽዑ ሞተ። 21ንሳ ኸኣ ደዪባ ኣብ ዓራት እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ኣደቀሰቶ፡ ብድሕሪኡ ሽጒራቶ ወጸት። 22ንሰብኣያ ጸዊዓ ድማ፡ ናብቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ጐይየ ኽምለስሲ፡ በጃኻ፡ ሓደ ኻብቶም ገላዉን ሓንቲ ኣድግን ስደደለይ፡ በለቶ። 23ንሱ ኸኣ፡ ሰርቂ ወርሒ ኣይኰነ፡ ሰንበትውን ኣይኰነ፡ ስለምንታይ ደኣ ሎሚ ናብኡ እትኸዲ፡ በላ። ንሳ ድማ፡ ደሓን፡ በለት። 24ሽዑ ነታ ኣድጊ ጽዒና ነቲ ጊልያኣ፡ ኪድ ምራሕ፡ ኣነ እንተ ዘይበልኩኻ ኣብ መገዲ ጠጠው ኣይተብለኒ፡ በለቶ። 25ተበጊሳ ድማ ኣብ ከረን ቀርሜሎስ ናብቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ከደት። ኰነ ኸኣ፡ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ኣማዕድዩ ምስ ረኣያ፡ ንጊልያኡ ገሓዚ፡ እታ ሹናማዊት፡ ኣብኡ እንሃ፡ 26በጃኻ፡ ሕጂ ጐዪኻ ተቐበላ እሞ ደሓንዶ ኢኺ፧ ሰብኣይኪኸ ደሓንዶ ኣሎ፧ እቲ ወዲኺ ደሓንዶ ኣሎ፧ በላ፡ በሎ። ንሳ ድማ ደሓን በለት። 27ናብቲ ኸርን፡ ናብቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ምስ መጸት ከኣ፡ በእጋሩ ኣጽኒዓ ሓዘቶ። ገሓዚ ድማ ክደፍኣ ቐረበ፡ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ግና፡ ነፍሳ እተመረረት እያ እሞ፡ ሕደጋ ደኣ፡ እግዚኣብሄር ግዳ ሓቢኡለይ እዩ፡ ኣይገለጸለይን ድማ፡ በሎ። 28ንሳ ኸኣ፡ ወዲ ሃበኒ ኢለዶ ኻብ ጐይታይ ለሚነ ነይረ እየ፧ ኣይትጠብረኒዶ ኢለካ ኣይነበርኩን፧ በለት። 29ሽዑ ንገሓዚ፡ ሕቜኻ ተዓጠቕ እሞ፡ በትረይ ኣብ ኢድካ ሒዝካ ኺድ፡ ገለ ሰብ እንተ ረኸበካ ከኣ፡ ከመዓልካ ኣይትበሎ፡ ከመዓልካ እንተ በለካውን ኣይትምለሰሉ። ነዛ በትረይ ድም ኣብ ገጽ እቲ ቘልዓ ኣንብራ፡ በሎ። 30ኣደ እቲ ቘልዓ ኸኣ፡ ከይሓድገካ፡ እግዚኣብሄር ህያው እዩ፡ ነፍስኻውን ህያው እያ፡ በለት። ተንሲኡ ድማ ደድሕሪኣ ኸደ። 31ገሓዚ ኸኣ ቀዲምዎም ሓሊፉ፡ ነታ በትሪ ኣብ ገጽ እቲ ቘልዓ ኣንበራ፡ ግናኸ ደሃይ ኣይነበሮን፡ ምስማዕውን ኣይነበሮን። ሽዑ ኽቃባበሎ ተመሊሱ፡ እቲ ቘልዓ ኣይተንስአን፡ ኢሉ ነገሮ። 32ኤልሳእ ናብታ ቤት ምስ ኣተወ ድማ፡ እንሆ፡ እቲ ቘልዓ ሞይቱ፡ ኣብ ዓራቱ ተጋዲሙ ጸንሖ። 33ናብታ ቤት ኣትዩ ኸኣ፡ ድሕሪ ኽልቲኦም ነቶ ማዕጾ ሸጐሮ፡ ኣብ እግዚኣብሄር ከኣ ለመነ። 34ደዪቡ ድማ ኣብ ልዕሊ እቲ ቘልዓ በጥ በለ፡ ኣፉ ኸኣ ኣብ ኣፉ፡ ዓይኑ ድማ ኣብ ዓይኑ፡ ኢዱውን ኣብ ኢዱ ገበረ እሞ፡ ኣብ ልዕሊኡ ተዘርግሐ፡ ስጋ እቲ ቘልዓ ኸኣ ሞቐ። 35መሊሱ ድማ ኣብታ ቤት ሓንሳእ ናብዚ ሓንሳእ ናብቲ ኣቢሉ ተዛወረ፡ ከም ብሓድሽ ደዪቡ ኸኣ፡ ኣብ ልዕሊኡ በጥ በለ። እቲ ቘልዓ ድማ ሾብዓተ ሳዕ እንጥሾ በለ እሞ እቲ ቘልዓ ኣዒንቱ ቛሕ ኣበለ። 36ሽዑ ኤልሳእ ንገሓዚ ጸዊዑ፡ ነታ ሹናማዊት ጸውዓያ፡ በሎ። ጸዊዑ ኸኣ። ናብኡ ምስ ኣተወት ድማ፡ ወድኺ ውሰዲ፡ በላ። 37ኣትያ ኽኣ ኣብ እግሩ ወዲቓ ናብ ምድሪ ፍግም ኢላ ሰገደት፡ ወዳ ሒዛ ድማ ወጸት።
38ኤልሳእ ከኣ ናብ ጊልጋል ተመልሰ፡ ኣብታ ሃገር ድማ ጥሜት ነበረ። እቶም ደቂ ነብያት ከኣ ኣብ ቅድሚኡ ተቐሚጦም ነበሩ። ነቲ ጊልያኡ ድማ፡ ነቲ ዓብዪ ቑራዕ ሰኽቲትካ ነዞም ደቂ ነብያት ጸብሒ ኣፍልሓሎም፡ በሎ። 39ሓደ ኸኣ ሓምሊ ኽሓምል ናብ መሮር ወጸ፡ ወይኒ መሮር ድማ ረኸበ፡ ካብኡ ኸኣ ሓምሊ መሮር ሓሚሉ ኽዳኑ መሊኡ ኣተወ፡ ስለ ዘይፈለጥዎ ድማ፡ ናብቲ ቑራዕ ቀርደዶ። 40ምእንቲ ክበልዑ ድማ ነቶም ሰባት ቀድሓሎም። ኰነ ኸኣ፡ ካብቲ ጸብሒ ኽበልዑ ኸለዉ፡ ኣታ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ኣብዝስ ቑራዕ ሞት ኣሎ፡ ኢሎም ጨርሑ። ክበልዕዎ ኸኣ ኣይከኣሉን። 41ሽዑ ንሱ፡ ሓርጭ ኣምጽኡ፡ በለ። ኣብ ቁራዕ ኣእትይዎ ድማ፡ ምእንቲ ኽበልዑ፡ ነቶም ህዝቢ ቕድሑሎም፡ በለ። ድሕርቲ ኣብቲ ቑራዕ ገለ ኽፉእ ነገር ኣይነበረን።
42ካብ በዓልሻሊሻ ድማ ሰብኣይ መጸ፡ ነቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ከኣ ናይ በዂራት እንጌራ፡ ዕስራ ጐጎ ስገምን ጥቡስ ሰዊት ስርናይ ኣብ ለቘታ ገይሩ ኣምጽኣሉ። ንሱ ድማ፡ ክበልዕዎስ ነዞም ህዝቢ ሃቦም፡ በለ። 43እቲ ኣገልጋሊኡ ኸኣ፡ እዚ ደኣ ኸመይ ገይረ ንሚእቲ ሰብ ክቕርበሎም እየ፧ በለ። ንሱ ግና፡ እግዚኣብሄር፡ ክበልዑ እዮም፡ ከትርፉ ድማ እዮም፡ ኢሉ እዩ እሞ፡ ንህዝቢ ደኣሃቦም ይብልዕዎ፡ በለ። 44ሽዑ ኣብ ቅድሚኦም ኣቕረበሎም፡ ከምቲ ቓል እግዚኣብሄር ድማ በሊዖምሲ ኣትረፉ።
2ይ ነገስት ምዕራፍ 5
1ንእማን ድማ፡ ንንጉስ ሶርያ ሓለቓ ሰራዊቱ፡ እግዚኣብሄር ንሶርያ ብእኡ ዲል ሂብዎም ነበረ እሞ፡ ኣብ ቅድሚ ጐይታኡ ዓብይን ክቡርን ሰብ ነበረ፡ እቲ ሰብኣይ ከኣ ብርቱዕ ጅግና ነበረ፡ ግናኸ ለምጻም ነበረ። 2ሶርያውያን ድማ ሓደጋ ኽወድቁ ወጺኦም ነበሩ፡ ካብ ምድሪ እስራኤል ከኣ ንእሽቶ ጓል ማሪኾም ወሰዱ። ንሳ ድማ ኣብ ቅድሚ ሰበይቲ ንእማን ተገልግል ነበረት። 3ንእመቤታ ኸኣ፡ ጐይታይሲ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ሰማርያ ዘሎ ነብዪ እንተ ዝህሉ፡ ሽዑ ኻብ ለምጹ መሕወዮ ነይሩ፡ በለት። 4ንእማን ከኣ ኣትዩ ንጐይታኡ፡ እታ ኻብ ምድሪ እስራኤል ዝመጸት ጓል ከምዝን ከምዝን ኢላ ተዛሪባ፡ ኢሉ ነገሮ። 5እቲ ንጉስ ሶርያ ድማ፡ እምበእርሲ ኺድ፡ ኣነ ኸኣ ንንጉስ እስራኤል ደብዳበ ኽሰደሉ እየ፡ በለ። ሽዑ ንሱ ዓሰርተ ታለንት ብሩርን ሹድሽተ ሽሕ ሲቃል ወርቅን ዓሰርተ ለውጢ ኽዳውንትን ምስኡ ሒዙ ኸደ። 6ነታ ደብዳበ ድማ ንንጉስ እስራኤል ኣብጽሓሉ፡ ንሳ ኸምዚ ትብል፡ ሕጂ ኸኣ፡ እዛ ደብዳበ እዚኣ ምስ መጸትካ፡ እንሆ፡ ንእማን ጊልያይ ካብ ለምጹ ኸተሕውዮ ኢለ ናባኻ ሰዲደዮ ኣሎኹ። 7ኰነ ድማ፡ እቲ ንጉስ እስራኤል ነታ ደብዳበ ምስ ኣንበባ፡ ክዳውንቱ ቐዲዱ፡ ነዚ ሰብኣይ እዚ ኻብ ለምጹ ኸሕውዮ ኢሉ ዝሰደደለይ፡ ዝቐትልን ዘሕውንሲ፡ ኣነዶ ኣምላኽ እየ፧ ንሱ ምኽንያት ጥራይ ይደልየኒ ኸም ዘሎ፡ በጃኹም፡ ፍለጡን ርኣዩን፡ በለ።
8ኰነ ድማ፡ ኤልሳእ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ እቲ ንጉስ እስራኤል ክዳውንቱ ኸም ዝቐደደ ምስ ሰምዐ፡ ናብቲ ንጉስ ልኢኹ፡ ስለምንታይከ ኢኻ ኽዳውንትኻ ዝቐደድካ፡ ኣብ እስራኤል ነብዪ ኸም ዘሎ ኽፈልጥሲ ናባይ ይምጻእ፡ በሎ። 9ንእማን ከኣ በፍራሱን ብሰረገላታቱን መጺኡ፡ ኣብ ኣፍ ደገ ቤት ኤልሳእ ደው በለ። 10ኤልሳእ ከኣ ናብኡ ልኡኽ ሰዲዱ፡ ናብ ዮርዳኖስ ኪድ እሞ ሾብዓተ ሳዕ ተሓጸብ፡ እቲ ስጋኻ ድማ ጥዕዩ ይምለሰካ፡ ክትጸሪውን ኢኻ፡ በሎ። 11ንእማን ግና ኰርዩ ኸደ እሞ፡ እንሆ፡ ኣነስ ብርግጽ ወጺኡ፡ ብስም እግዚኣብሄር ኣምላኽ ተማህሊሉ፡ ነቲ ለምጺ ዘለዎ ስፍራ ብኢዱ ዳህሲሱ ዘሕውየኒ መሲሉኒ ነይረ። 12ካብ ኲሉ ማያት እስራኤልሲ፡ እቲ ርባታት ደማስቆ ኣባናን ፈርጳርንዶ ግዳ ኣይበልጽን ኣብኡ ተሓጺበዶ ኣይምጸሬኹን፧ በለ።ተናዲደ ኸኣ ገጹ መሊሱ ኸደ። 13ገላውኡ ግና ቅርብ ኢሎም፡ ኣቦየ፡ እዚ ነብዪ ጽኑዕ ነገር እንተ ዝዛረበካስ፡ ኣይምገበርካዮንዶ፧ ተሓጸብ እሞ ጽረ፡ እንተ በለካ ግዳ ኸመይ፧ ኢሎም ተዛረብዎ። 14ሽዑ ወሪዱ፡ ከም ዘረባ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ኣብ ዮርዳኖስ ሾብዓተ ሳዕ ጠሓለ፡ ስጋኡ ኸኣ ከም ስጋ ንእሽቶ ቘልዓ ዀይኑ ተመልሶ፡ ጸረየውን።
15ሽዑ ንሱ ምስ ብዘሎ ጭፍራኡ ተመሊሱ፡ ናብቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ መጾ፡ ኣብ ቅድሚኡ ደው ኢሉ ድማ፡ እንሆ፡ ሕጂስ ብጀካ ኣብ እስራኤል ኣብ ብዘላ ምድሪ ኣምላኽ ከምዘየልቦ ፈለጥኩ፡ ሕጂ ኸኣ፡ በጃኻ፡ ካብ ጊልያኻ ገጽ በረኸት ተቐበል፡ በለ። 16ንሱ ግና፡ እቲ ኣብ ቅድሚኡ ደው ኢለ ዘሎኹ ህያው እግዚኣብሄር እዩ፡ ከይቅበለካ፡ በለ። ንሱ ድማ ክቕበሎ ግዲ በሎ። ንሱ ግና ኣበየ። 17ሽዑ ንእማን፡ እዚ ኻብ ዘይኸውንሲ ንጊልያኻ ኽልተ ጽዕነት በቕሊ መሬት ክትህቦ በጃኻ። ድሕሪ ደጊምሲ ጊልያኻ ንእግዚኣብሄር እምበር፡ ንኻልኦት ኣማልኽትስ ዝሓርር መስዋእትን መስዋእቲ ሕሩድን ኣየቕርብን እዩ። 18በዚ ነገር እዚ ግዳ እግዚኣብሄር ንጊልያኻ ይስረየለይ፡ ጐይታይ ኣብ ቤት ሪሞን ኣብኣ ኽሰግድ ኢሉ ምስዝኣቱ፡ ንሱ ኣብ ኢደይ ይጐዝጐዝ፡ ኣነ ኸኣ ኣብ ቤት ሪሞን እሰግድ፡ ኣብ ቤት ሪሞን ክሰግድ ከሎኹ ድማ፡ በዚ ነገር እዚ ደኣ እግዚኣብሄር ንጊልያኻ ይስረየለይ፡ በለ። 19ንሱ ድማ፡ ብሰላም ኪድ፡ በሎ። ካብኡ ኸኣ ገለ ቕሩብ መገዲ ኸደ።
20ገሓዚ ጊልያ ኤልሳእ፡ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ግና፡ እንሆ፡ ጐይታይ ነዚ ንእማን ሶርያዊ ዘምጽኦ ኻብ ኢዱ ኸይወስድ ነሓፎ። ህያው እግዚኣብሄር ኢለ፡ ደድሕሪኡ ጐይየ ገለ ኻብኡ ኽወስድ፡ እየ፡ በለ። 21ሽዑ ገሓዚ ደድሕሪ ንእማን ሰዓበ። ንእማን ከኣ ደድሕሪኡ ኽጐዪ ምስረኣዮ፡ ክቕበሎ ኻብ ሰረገላ ዘሊሉ ወረደ እሞ፡ ደሓንዶ፧ በለ። 22ንሱ ድማ፡ ደሓን፡ ጐይታይ ደኣ፡ እነዉ ኽልተ መንእሰይ ካብ ደቂ ነብያት ካብ ከረን ኤፍሬም ሕጂ ሕጂ መጺኦምኒ እሞ፡ በጃኻ፡ ንኣታቶም ሓደ ታለንት ብሩርን ክልተ ለውጢ ኽዳውንትን ሃቦም፡ ኢሉ ልኢኹኒ፡ በለ። 23ንእማን ከኣ፡ አረ ኽልተ ታለንት ውሰድ፡ በለ። ግዲ ድማ በሎ። ክልተ ታለንት ብሩር ኣብ ክልተ ኸረጺት ኣሲሩ፡ ክልተ ለውጢ ኽዳውንቲውን ገይሩ ንኽልተ ገላውኡ ሃቦም፡ ንሳቶም ድማ ቀቅድሚኡ ተሰከምዎ። 24ኣብታ ዂርባ ምስ በጽሐ ኸኣ፡ ካብ ኢዶም ወሲዱ ኣብ ቤት ኣርነቦ፡ ነቶም ሰባት ድማ ሰደዶም፡ ከዱውን። 25ንሱ ኸኣ ኣትዩ ኣብ ቅድሚ ጐይታኡ ደው በለ፡ ኤልሳእ ድማ፡ ገሓዚ፡ ካበይ መጺእካ፧ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ጊልያኻ ኣብ ዝኸድክዎ የብለይን፡ በለ። 26ንሱ ድማ፡ እቲ ሰብኣይ ካብ ሰረገላኡ ተመሊሱ ክቕበለካ ኸሎ፡ ልበይዶ ምሳኻ ኣይከደን፡ ብሩር ክትወስድ፡ ክዳውንትን ኣታኽልቲ ዘይትን ወይንን ኣባጊዕን ኣሓን ተባዕትዮን ኣንስትዮን ባሮት ከኣ ክትወስድሲ ግዜኡ ድዩ፧ 27እምብኣርሲ እቲ ለምጺ ንእማን ንዘለኣለም ኣባኻን ኣብ ዘርእኻን ይልገብ፡ በሎ። ሽዑ ለምጻም ኰይኑ ኸም በረድ ጻዕድዩ ኻብ ቅድሚኡ ወጸ።
2ይ ነገስት ምዕራፍ 6
1እቶም ደቂ ነብያት ድማ ንኤልሳእ፡ እንሆ፡ እዛ ኣብ ቅድሜካ ኣብኣ እንነብር ዘሎና ቦታ ጸቢባትና እያ። 2በጃኻ፡ ክሳዕ ዮርዳኖስ ንኺድ፡ ነፍሲ ወከፍ ካብኡ ሓሓደ ሰርወ ኣምጺእና ኸኣ፡ ኣብኡ እንነብረላ ስፍራ ንኣና ንስራሕ፡ በልዎ። ንሱ ድማ፡ ኪዱ፡ በለ። 3ሓደ ኻባታቶም ከኣ፡ በጃኻ፡ ንስኻውን ፈቲኻ ምስ ገላዉኻ ኺድ፡ በለ። ንሱ ድማ፡ ሕራይ፡ ኣነ እኸይድ፡ በለ። 4ምሳታቶም ከኣ ኸደ። ኣብ ዮርዳኖስ ምስ መጹ ድማ፡ ሰርወ ቘረጹ። 5ኰነ ኸኣ፡ ሓደ ኻባታቶም ሰርወ ክቘርጽ ከሎ፡ እቲ ሓጺን ነጺሉ ናብ ማይ ወደቐ። ሽዑ፡ ኣየ ጐይታይ፡ ንሱ ድማ ናይ ልማኖ እዩ፡ ኢሉ ጨርሐ። 6እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ከኣ፡ ኣበይ ወዲቑ፧ በለ። እታ ቦታ ድማ ኣርኣዮ። ሽዑ ንሱ ዕጨይቲ ቘሪጹ ናብኣ ደርበዮ፡ እቲ ሓጺን ከኣ ጸብለል በለ። 7ሽዑ ድማ፡ ውሰዶ፡ በሎ። ኢዱ ዘርጊሑ ኸኣ ወሰዶ።
8ንጉስ ሶርያ ድማ ምስ እስራኤል ተዋግአ። ምስቶም ገላዉኡ ኸኣ፡ ኣብ ቦታ እከለን ኣከለን ክሰፍር እየ፡ ኢሉ ተማኸረ። 9እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ከኣ ንንጉስ እስራኤል፡ ኣብዛ ቦታ እዚኣ ሶርያውያን ይወርድዋ ኣለዉ እሞ፡ ብእኣ ኸይትሓልፍ ተጠንቀቕ፡ ኢሉ ለኣኸሉ። 10እቲ ንጉስ እስራኤል ድማ ናብታ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ዝነገሮን ዝመዓዶን ቦታ ይሰድድ ነበረ፡ ኣብኣ ኸኣ ሓንሳእ ክልተ ሳዕ ጥራይ ዘይኰነ ንርእሱ ተጠንቀቐ። 11ልቢ ንጉስ ሶርያ ድማ በዚ ነገር እዚ ተሸበረ፡ ነቶም ገላውኡ ጸውዑ ኸኣ፡ ካባናስ እቲ ምስ ንጉስ እስራኤል ዝሓሳቡ መን ምዃኑዶ ኣይትነግሩንን ኢኹም፧ በሎም። 12ሓደ ኻባታቶም ገላውኡ ኸኣ፡ ጐይታይ ንጉስ፡ ከምኡ ኣይኰነን፡ ግናኸ ኤልሳእ፡ እቲ ኣብ እስራኤል ዘሎ ነብዪ፡ እቲ ኣብታ እትድቅሰላ ሕልፍኚ እተዛረብካዮ ዘረባ ንጉስ እስራኤል ይነግሮ እዩ፡ በለ። 13ንሱ ድማ፡ ልኢኸ ኸምጽኦስ፡ ንሱ ኣበይ ከም ዘሎ ኺዱ ርኣዩ፡ በለ። እንሆ፡ ኣብ ዶታን ኣሎ፡ ኢሎም ከኣ ነገርዎ። 14ሽዑ ኣፍራስን ሰረገላታትን ብዙሕ ሰራዊትን ገይሩ ናብኣ ሰደዶ፡ ብለይቲ መጺኦም ድማ ነታ ኸተማ ኸበብዋ። 15እቲ ጊልያ ናይ ኣምላኽ ሰብ ኣንጊሁ ተንሲኡ ምስ ወጸ ኸኣ፡ እንሆ፡ ሰራዊት ምስ ኣፍራስን ሰረገላታትን ነታ ኸተማ ኸቢብዋ ነበረ። እቲ ጊልያኡ ድማ፡ ኣየ ጐይታይ፡ እንታይ ክንገብር ኢና፧ በሎ። 16ንሱ ኸኣ፡ ካብቶም ምሳታቶም ዘለዉስ ምሳና ዘለው ይበዝሑ እዮም እሞ፡ ኣይትፍራህ፡ በለ። 17ኤልሳእ ድማ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ እልምነካ ኣሎኹ፡ ክርእስ ኣዒንቱ ኽፈት፡ ኢሉ ጸለየ። እግዚኣብሄር ከኣ ኣዒንቲ እቲ መንእሰይ ከፈተ እሞ ረኣየ፡ እንሆ ድማ፡ ኣብ ዙርያ ኤልሳእ እቲ ኸረን ናይ ሓዊ ኣፍራስን ሰረገላታትን መሊእዎ ነበረ። 18ናብኡ ምስ ወረዱ ኸኣ፡ ኤልሳእ፡ እልምነካ ኣሎኹ፡ ነዚ ህዝቢ እዚ ብዑረት ውቕዓዮ፡ ኢሉ ናብ እግዚኣብሄር ጸለየ። ከምቲ ቓል ኤልሳእ ድማ ብዑረት ወቕዖም። 19ሽዑ ኤልሳእ፡ እታ መገዳስ እዚኣ ኣይኰነትን፡ እታ ኸተማ ኸኣ እዚኣ ኣይኰነትን፡ ናብቲ እትደልይዎ ሰብኣይ ክወስደኩምሲ፡ ደድሕረይ ስዓቡ፡ በሎም። ናብ ሰማርያ ድማ ወሰዶም። 20ኰነ ኸኣ፡ ኣብ ሰማርያ ምስ ኣተዉ፡ ኤልሳእ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ክርእዮስ ኣዒንቲ እዚኣቶም ክፈት፡ በለ። እግዚኣብሄር ድማ ኣዒንቶም ከፈተሎም እሞ ረኣዮ፡ እንሆ ድማ፡ ኣብ ማእከል ሰማርያ ነበሩ። 21እቲ ንጉስ እስራኤል ምስ ረኣዮም ከኣ፡ ንኤልሳእ፡ ክቐትሎምዶ፡ ኣቦየ፡ ክቐትሎምዶ፡ በሎ። 22ንሱ ድማ ኣይትቕተሎም፡ ነቲ ብሴፍካን ብቐስትኻን ዝማረኽካዮምኸ፡ ንስኻ ትቐትሎዶ፧ በሊዖምን ሰትዮምን ናብ ጐይታኦም ክምለሱስ፡ ኣብ ቅድሚኦም ግዳ እንጌራን ማይን ኣቕርበሎም፡ በለ። 23ዓብዪ ምሳሕ ከኣ ገበረሎም፡ ምስ በልዑን ምስ ሰተዩን ድማ፡ ኣሰናበቶም፡ ናብ ጐይታኦም ከኣ ኸዱ። ድሕርቲ ኸኣ እቶም ሓደጋ ዝወድቁ ጭፍራ ሶርያ ናብ ምድሪ እስራኤል ኣይተመልሱን።
24ድሕርቲ ድማ ዀነ፡ ቤንሃዳድ ንጉስ ሶርያ ብዘሎ ሰራዊቱ ኣኽቲቱ ደየበ፡ ንሰማርያ ኸኣ ከበባ። 25ኣብ ሰማርያ ድማ ብርቱዕ ጥሜት ኰነ። እንሆ ድማ፡ ርእሲ ኣድጊ ብሰማንያ ሲቃል ብሩር፡ ስልዖ ሓርኢ ርግቢ ኸኣ ብሓሙሽተ ሲቃል ብሩር ክሳዕ ዝሽየጥ፡ ኣጽበቡላ። 26ኰነ ድማ፡ እቲ ንጉስ እስራኤል ኣብ ልዕሊ መካበብያ ኽመላለስ ከሎ፡ ሓንቲ ሰበይቲ፡ ጐይታይ ንጉስ፡ ኣድሕነኒ፡ ኢላ ጨርሓትሉ። 27ንሱ ኸኣ፡ እግዚኣብሄር ዘይረድኣክስ፡ ካብ ምንታይ ክረድኣኪ፧ ካብ ዓውዲዶ ወይ ካብ መጽሙቑ ወይኒ፧ በለ። 28እቲ ንጉስ ድማ፡ እንታይ ኴንኪ ኢኺ፧ በላ። ንሳ ኸኣ፡ እዛ ሰበይቲ እዚኣ፡ ወድኺ ሃቢ፡ ሎሚ ኽንበልዖ፡ ንወድይ ድማ ጽባሕ ክንበልዖ፡ በለትኒ። 29ሽዑ ነቲ ወደይ ኣብሲልና በላዕናዮ፡ ንጽብሒቱ ኸኣ፡ ወድኺ ሃቢ፡ ክንበልዖ፡ በልክዋ። ንሳ ግና ነቲ ወዳ ሓብኣቶ፡ በለት። 30ኰነ ድማ፡ እቲ ንጉስ ዘረባ እታ ሰበይቲ ምስ ሰምዐ፡ ክዳውንቱ ቐደደ። ኣብ ልዕሊ እቲ መካበብያ ኽመላለስ ከሎ ኸኣ፡ እንሆ፡ ብውሽጢ ኣብ ልዕሊ ስጋኡ ማቕ ከም ዘለዎ እቲ ህዝቢ ረኣየ። 31ንሱ ድማ፡ ርእሲ ኤልሳእ ወዲ ሻፋጥ ሎሚ ኣብ ልዕሊኡ እንተ ቘይማስ፡ ኣምላኽ ከምዚ ይግበረኒ፡ ከምዚውን ይወስኸኒ፡ በለ። 32ኤልሳእ ግና ኣብ ቤቱ ተቐሚጡ ነበረ፡ እቶም ዓበይቲውን ምስኡ ተቐሚጦም ነበሩ። እቲ ንጉስ ከኣ ቀቅድሚኡ ሓደ ሰብ ለኣኸ። እቲ ልኡኽ ገና ናብኡ ኸይመጸ ኸሎ፡ ንሱ ነቶም ዓበይቲ፡ እዚ ወዲ ቐታል ነፍስስ ርእሰይ ክቘርጽ ከም ዝለኣኸዶ ትርእዩ ኣሎኹም፧ እቲ ልኡኽ ክመጽእ ከሎ፡ ርኢኹም ነቲ ማዕጾ ሸጒርዎ እሞ ብማዕጾ ድፍእዎ፡ ድሕሪኡኸ ደሃይ እግሪ ጐይታኡዶ ኣይስማዕን፧ በሎም። 33ገና ምሳታቶም ክዛረብ ከሎ፡ እንሆ ድማ፡ እቲ ልኡኽ ናብኡ ወሪዱ፡ እንሆ፡ እዚ እከይ ካብ እግዚኣብሄር መጸ፡ ደጊምከ ንእግዚኣብሄር እንታይ ክጽበዮ እየ፧ በለ።
2ይ ነገስት ምዕራፍ 7
1ኤልሳእ ድማ፡ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ፡ በለ። እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ጽባሕ ከምዛ ግዜ እዚኣ ኣብ ደገ ሰማርያ ሓደ መስፈሪ ድኹም ሓርጭ ብሲቃል፡ ክልተ መስፈሪ ስገም ከኣ ብሲቃል ኽሽመት እዩ። 2እቲ ንጉስ ኣብ ኢዱ ዝጒዝጐዞ ዝነበረ ሓለቓ ድማ ነቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ እንሆ፡ እግዚኣብሄር ኣብ ሰማይ መሳዂቲ እንተ ዝገብርሲ፡ እዚ ነገር እዚ ይኸውንዶ፧ ኢሉ መለሰሉ። ንሱ ኸኣ፡ በዒንትኻ ኽትርእዮ ኢኻ፡ ግናኸ ኻብኡ ኣይክትበልዕን ኢኻ፡ በለ።
3ኣብ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ ድማ ኣርባዕተ ሰብ ለምጺ ነበሩ። ንሓድሕዶም ከኣ፡ ስለምንታይ ኢና ኽሳዕ እንመውት ኣብዚ ኾፍ እንብል፧ 4ናብ ከተማ ንእቶ እንተ በልና፡ ኣብ ከተማ ጥሜት ኣሎ እሞ፡ ኣብኣ ኽንመውት ኢና፡ ኣብዚ እንተ ተቐመጥናውን ክንመውት ኢና፡ ሕጂ ኸኣ ንኺድ፡ ናብ ሰፈር ሶርያውያን ንሰደድ፡ ብህይወት እንተ ሓደጉና፡ ብህይወት ንነብር፡ እንተ ቐተሉና ኸኣ፡ ንመውት፡ ተባሃሃሉ። 5ጽልግልግ ምስ ኰነ ድማ፡ ናብ ሰፈር ሶርያውያን ክኸዱ ተንስኡ። ኣብ ወሰን ሰፈር ሶርያውያን ምስ በጽሑ ኸኣ፡ እንሆ፡ ኣብኡ ሰብ ኣይነበረን። 6ኣምላኽ ድማ ኣብቲ ሰፈር ሶርያውያን ደሃይ ሰረገላታት ደሃይ ኣፍራስን ደሃይ ብዙሕ ሰራዊትን ኣስሚዕዎም ነበረ እሞ፡ ንሓድሕዶም፡ እንሆ፡ ንጉስ እስራኤል ንነገስታት ሔታውያንን ነገስታት ግብጻውያንን ተኻርዩ ኣባና ኣምጺእዎም እዩ፡ ተባሃሃሉ። 7ጽልግልግ ምስ ኰነ ድማ፡ ተንሲኦም፡ ሃደሙ። ድንኳውንቶምን ኣፍራሶምን ኣእዱጎምን እቲ ሰፈሮም ከም ዘሎ ሓዲጎምዎ ነፍሶም ከድሕኑ ሃደሙ። 8እቶም ለምጻማት እቲኣቶም ናብ ወሰን እቲ ሰፈር ምስ በጽሑ ኸኣ፡ ናብ ሓደ ድንኳን ኣትዮም በልዑን ሰተዩን፡ ካብኡ ድማ ብሩርን ወርቅን ክዳውንትን ወሰዱ፡ ከይዶም ከኣ ሓብእዎ። ተመሊሶም ድማ ናብ ካልእ ድንኳን ኣተዉ፡ ካብኡ ኸኣ ወሰዱ፡ ከይዶምውን ሓብእዎ። 9ሽዑ ንሓድሕዶም እዚ ንሕና እንገብሮ ዘሎና ቕኑዕ ኣይኰነን፡ እዛ መዓልቲ እዚኣ፡ ንሳ መዓልቲ ብስራት እያ፡ ንሕና ኸኣ ስቕ ኢልና ኣሎና፡ ንግሆ ኽሳዕ ዝበርህ እንተ ጸናሕና ድማ፡ በደል ክዀነና እዩ። ሕጂ ኸኣ ንኺድ እሞ ኣብ ቤት ንጉስ ኣቲና ንንገር፡ ተባሃሃሉ። 10መጺኦም ድማ ንዘብዐኛ ደገ እታ ኸተማ ጸዊዖም፡ ናብ ሰፈር ሶርያውያን ኬድና ኔርና፡ እንሆ ኸኣ፡ ኣብኡ እሱራት ኣፍራስን እሱራት ኣእዱግን ድንኳውንቲውን ከም ዘለዎ እምበር፡ ሰብ ኰነ፡ ድምጺ ሰብ ኰነ የልቦን፡ ኢሎም ነገሩ። 11እቶም ዘብዓኛታት ከኣ ጸዊዖም ኣብ ውሽጢ ቤት ንጉስ ነገሩ። 12እቲ ንጉስ ብለይቲ ተንሲኡ ድማ ንገላዉኡ፡ እቶም ሶርያውያን ዝገበሩና እሞ ክነግረኩም፡ ንሕና ጥሙያት ከም ዝዀንና ፈሊጦም ኣለዉ እሞ ካብ ከተማ ምስ ወጹ፡ ብህይወቶም ንሕዞም፡ ናብ ከተማ ኸኣ ንኣቱ፡ ኢሎም ካብ ሰፈር ወጺኦም ኣብ መሮር ተሓቢኦም ኣለዉ፡ በሎም። 13ሓደ ኻብ ገላዉኡ ድማ፡ ካብቶም ኣብ ከተማ ተሪፎም ዘለዉ ኣፍራስ፡ በጃኻ፡ ሓሙሽተ ይውሰዱ፡ እንሆ፡ ከም ብዘሎ ብዝሒ እቲ ተሪፉ ዘሎ እስራኤል እዮም፡ እንሆ፡ ከም ብዘሎ ብዝሒ እቲ እተወድአ እስራኤል እዮም እሞ፡ ክስልዩ ንስደዶም፡ ኢሉ መለሰ። 14ሽዑ ኽልተ ሰረገላ ምስ ኣፍራስ ወሰዱ፡ እቲ ንጉስ ድማ፡ ኪዱ እሞ ርኣዩ፡ ኢሉ ደድሕሪ ሰራዊት ሶርያውያን ሰደዶም። 15ክሳዕ ዮርዳኖስ ድማ ደድሕሪኦም ከዱ፡ እንሆ ኸኣ፡ ኲሉ መገዲ እቶም ሶርያውያን ብምህዋኾም ዝደርበይዎ ኽዳውንትን ኣቓሑን መሊኡ ነበረ። እቶም ልኡኻት ድማ ተመሊሶም ንንጉስ ነገርዎ። 16ሽዑ እቲ ህዝቢ ወጺኡ ነቲ ሰፈር ሶርያውያን ገፈፎ። ከምቲ ቓል እግዚኣብሄር ድማ ዀነ፡ ሓደ መስፈሪ ድኹም ሓርጭ ብሲቃል፡ ክልተ መስፈሪ ስገም ከኣ ብሲቃል ተሸመተ።
17እቲ ንጉስ ድማ ነቲ ኣብ ኢዱ ዝጒዝጐዞ ዝነበረ ሓለቓ ነቲ ደገ ኽሕሉ ኣቘሞ። ግናኸ ከምቲ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ንጉስ ናብኡ ምስ ወረደ እተዛረቦ ቓል፡ እቶም ህዝቢ ኣብቲ ደገ ረገጽዎ፡ ሞተ ኸኣ። 18ከምቲ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ንንጉስ፡ ጽባሕ ከምዛ ግዜ እዚኣ ኣብ ደገ ሰማርያ ኽልተ መስፈሪ ስገም ብሲቃል፡ ሓደ መስፈሪ ድኹም ሓርጭ ድማ ብሲቃል ክሽመት እዩ፡ ኢሉ እተዛረቦ ኸኣ ዀነ። 19እቲ ሓለቓ ድማ ነቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ እንሆ ኸኣ፡ እግዚኣብሄር ኣብ ሰማይ መስኰት እንተ ኸፈተ እኳ፡ ከምዚ ነገር እዚ ዝበለዶ ይኸውን፧ ኢሉ፡ መሊሱ ነበረ። ንሱውን፡ እንሆ፡ በዒንትኻስ ክትርእዮ ኢኻ፡ ካብኡ ግና ኣይትበልዕን፡ ኢሉ ነበረ። 20ከምኡ ድማ ዀኖ፡ እቶም ህዝቢ ኣብቲ ደገ ረገጽዎ፡ ሞተ ኸኣ።
2ይ ነገስት ምዕራፍ 8
1ኤልሳእ ድማ ነታ ወዳ ዘተንስኣላ ሰበይቲ፡ እግዚኣብሄር ናብዛ ሃገር፡ ድሮ እኳ ጀሚሩ ዘሎ፡ ሾብዓተ ዓመት ጥሜት ክመጽእ ጸዊዑ እዩ እሞ፡ ንስኽን ቤትክን ናብ እትስደድዎ ተሰደዱ፡ ኢሉ ተዛረባ። 2እታ ሰበይቲ ኸኣ ተንሲኣ ኸም ዘረባ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ገበረት፡ ንሳን ቤታን ድማ ከይዶም ኣብ ምድሪ ፍልስጥኤማውያን ብስደት ሾብዓተ ዓመት ተቐመጡ። 3ኰነ ኸኣ፡ ኣብ መወዳእታ እተን ሾብዓተ ዓመት እታ ሰበይቲ ኻብ ምድሪ ፍልስጥኤማውያን ተመልሰት፡ ብናይ ቤታን ብናይ ግራታን ክትጠርዕ ድማ ናብ ንጉስ ከደት። 4እቲ ንጉስ ከኣ ንገሓዚ፡ ጊልያ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ በጃኻ፡ እቲ ኤልሳእ ዝገበሮ ዂሉ ዓብዪ ነገር ንገረኒ፡ ኢሉ ይዛረቦ ነበረ። 5ኰነ ድማ፡ ምዉት ከም ዘተንስአ፡ ንሱ ንንጉስ ክነግሮ ኸሎ፡ እንሃ ኸኣ፡ እታ ወዳ ዘተንስኣላ ሰበይቲ ብናይ ቤታን ብናይ ግራታን ኣብ ንጉስ ጠርዐት። ሽዑ ገሓዚ፡ ጐይታይ ንጉስ፡ እዛ ሰበይቲ እዚኣ እያ፡ እቲ ኤልሳእ ዘተንስኦ ወዳውን እዚ እዩ፡ በለ። 6እቲ ንጉስ ድማ ነታ ሰበይቲ ሓተታ፡ ንሳ ኸኣ ነገረቶ። እቲ ንጉስ ድማ ሓደ ስሉብ ሃባ እሞ፡ ዝነበራ ዘበለ ኲሉን ነታ ምድሪ ኻብ እትሓድጋ መዓልቲ ጀሚሩ ኽሳዕ ሕጂ እቶት እቲ ግራትን ኣምልሰላ፡ በሎ።
7ኤልሳእ ድማ ናብ ደማስቆ መጸ። ቤንሃዳድ ንጉስ ሶርያ ኸኣ ሓሚሙ ነበረ፡ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ናብዚ መጺኡ ኣሎ፡ ኢሎም ነገርዎ። 8ሽዑ እቲ ንጉስ ንሓዛኤል በሎ፡ ገጽ በረኸት ኣብ ኢድ ሒዝካ ነቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ክትቃባበሎ ኺድ እሞ፡ ካብዚ ሕማም እዚ ደኾን ክሓዊ እዩ፧ ኢልካ ብእኡ ጌርካ ንእግዚኣብሄር ሕተቶ በሎ። 9ሓዛኤል ድማ ክቃባበሎ ኸደ፡ ኣብ ኢዱ ኸኣ ገጽ በረኸት ናይ ደማስቆ በብሉጹ ዘበለ ኣርብዓ ጽዕነት ገመል ዝኣክል ሒዙ መጸ፡ ኣብ ቅድሚኡ ደው ኢሉ ድማ፡ ወድኻ ቤንሃዳድ ንጉስ ሶርያ፡ ካብዚ ሕማም እዚዶ ኽሓዊ እየ፧ ኢሉ ናባኻ ልኢኹኒ፡ በለ። 10ኤልሳእ ከኣ በሎ፡ ኪድ እሞ፡ ምሕዋይሲ ኽትሓዊ ኢኻ፡ በሎ። ግናኸ ብርግጽ ከም ዝመውት፡ እግዚኣብሄር ኣርእዩኒ እዩ። 11እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ድማ ክሳዕ ዝሓንኽ ተኲሩ ጠመቶ፡ በኸየ ኸኣ። 12ሓዛኤል ከኣ፡ ጐይታይ ስለምንታይ እዩ ዝበኪ ዘሎ፧ በለ። ንሱ ድማ፡ እቲ ንደቂ እስራኤል እትገብሮ ኽፉእ ስለ ዝፈለጥኩ። ዕርድታቶም ብሓዊ ኽትትኲስ፡ ነጒባዞም ከኣ ብሴፍ ክትቀትል፡ ንሕጻናቶም ድማ ክትጭፍልቕ፡ ንጥኑሳቶምውን ኣኽብደን ክትቀድድ ኢኻ፡ በሎ። 13ሓዛኤል ከኣ፡ እዚ ዓብዪ ነገር እዚ ዝገብርሲ፡ ኣነ ባርያኻ፡ ሓደ ኸልቢ፡ እንታይ እየ፧ በለ። ኤልሳእ ድማ፡ ንስኻ ንጉስ ሶርያ ኸም እትኸውን፡ እግዚኣብሄር ኣርእዩኒ እዩ፡ በለ። 14ካብ ኤልሳእ ከኣ ከደ፡ ናብ ጐይታኡ ድማ መጸ። ንሱ ኸኣ፡ ኤልሳእ እንታይ ኢሉካ፧ በሎ። ንሱ ድማ፡ ብርግጽ ክትሓዊ ኢኻ፡ በለኒ። 15ኰነ ኸኣ፡ ንጽብሒቱ ማቕ ወሲዱ፡ ኣብ ማይ ኣሊኹ፡ ኣብ ገጹ ገበረሉ፡ ሞተ ኸኣ። ኣብ ክንዳኡ ድማ ሓዛኤል ነገሰ።
16ንዮራም፡ ንጉስ እስራኤል ወዲ ኣከኣብ፡ ኣብ ሓምሰይቲ ዓመቱ ድማ፡ ዮሳፋጥ ንጉስ ይሁዳ ነጊሱ ኸሎ፡ ዮራም፡ ወዲ ዮሳፋጥ ንጉስ ይሁዳ፡ ነገሰ። 17ንሱ ኽነግስ ከሎ፡ ወዲ ሰላሳን ክልተን ዓመት ነበረ፡ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ሾሞንተ ዓመት ገዝአ። 18ግናኸ ጓል ኣከኣብ ሰበይቱ ነበረት እሞ፡ ከምቲ ቤት ኣከኣብ ዝገበረቶ፡ ብመገዲ ነገስታት እስራኤል ከዱ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ድማ ክፉእ ዘበለ ገበረ። 19እግዚኣብሄር ግና፡ ከምቲ ንእኡን ንደቁን ንሓዋሩ መብራህቲ ኽህቦም ዘተስፈዎ፡ ስለ ዳዊት ባርያኡ ኢሉ፡ ንይሁዳ ኸጥፍኦ ኣይፈተወን።
20ብዘመኑ ኤዶም ካብ ትሕቲ ኢድ ይሁዳ ዓለወ፡ ኣብ ልዕሊኦም ድማ ንጉስ ኣንገሱ። 21ሽዑ ዮራም፡ ኲሉ ሰረገላታቱ ኸኣ ምስኡ፡ ናብ ጻኢር ሓለፈ። ብለይቲ ተንሲኡ ድማ፡ ነቶም ከቢቦምዎ ዝነበሩ ኤዶማውያንን ነቶም ሓላቑ ሰረገላታትን ሰዓሮም፡ እቲ ህዝቢ ኸኣ ነናብ ድንኳኑ ሃደመ። 22ኤዶም ከኣ ክሳዕ ሎሚ ኻብ ትሕቲ ኢድ ይሁዳ ዓለወ። ሊብናውን በቲ ግዜ እቲ ዓለወት።
23እቲ ዝተረፈ ናይ ዮራም ነገርን እቲ ዂሉ ዝገበሮን፡ ንሱ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት ይሁዳዶ ተጽሒፉ ኣየሎን፧ 24ዮራም ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፡ ምስ ኣቦታቱ ኸኣ ኣብ ከተማ ዳዊት ተቐብረ። ኣብ ክንዳኡ ድማ ወዱ ኣሓዝያ ነገሰ።
25ንዮራም ንጉስ እስራኤል፡ ወዲ ኣከኣብ፡ ኣብ መበል ዓሰርተው ክልተ ዓመቱ ኣሓዝያ ወዲ ዮራም፡ ንጉስ ይሁዳ፡ ነገሰ። 26ኣሓዝያ ኽነግስ ከሎ ወዲ ዕስራን ክልተን ዓመት ነበረ፡ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ሓንቲ ዓመት ገዝአ። ስም ኣዲኡ ድማ ዓታልያ እዩ፡ ንሳ ጓል ዖምሪ ንጉስ እስራኤል እያ። 27ንሱ ምስ ቤት ኣከኣብ ሕምነት ነበሮ እሞ፡ ብመገዲ ቤት ኣከኣብ ከደ። ከም ቤት ኣከኣብ ከኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ። 28ምስ ዮራም ወዲ ኣከኣብ ኰይኑ ድማ ንሓዛኤል ንጉስ ሶርያ ኣብ ራሞትጊልዓድ ክዋግኦ ኸደ። እቶም ሶርያውያን ግና ንዮራም ወግእዎ። 29ንጉስ ዮራም ከኣ እቲ ምስ ሓዛኤል ንጉስ ሶርያ ኽዋጋእ ከሎ፡ ሶርያውያን ኣብ ራማ ዝወግእዎ ቑስሊ ኣብ ይዝርኤል ክፍወስ ተመልሰ። ኣሓዝያ፡ ንጉስ ይሁዳ ወዲ ዮራም፡ ድማ ንዮራም ወዲ ኣከኣብ፡ ንሱ ሓሚሙ ነበረ እሞ፡ ክርእዮ ናብ ይዝርኤል ወረደ።
2ይ ነገስት ምዕራፍ 9
1ነብዪ ኤልሳእ ድማ ንሓደ ኻብቶም ደቂ ነብያት ጸዊዑ በሎ፡ ሕቜኻ ተዓጠቕ እሞ እዚ ናይ ዘይቲ ቐርኒ ኣብ ኢድካ ሒዝካ ናብ ራሞትጊልዓድ ኪድ። 2ኣብኣ ምስ መጻእካ ኸኣ፡ ንየሁ ወዲ ዮሳፋጥ፡ ወዲ ነምሺ፡ ኣብኡ ድለዮ፡ ኣቲኻ ድማ ካብ ማእከል ኣሕዋቱ ኣተንሲእካ ንእኡ ናብ ውሽጢ ሕልፊኚ ኣእትዎ። 3ሽዑ ነቲ ቐርኒ ዘይቲ ውሰድ፡ ኣብ ልዕሊ ርእሱ ኣፍሲስካ ኸኣ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኣብ እስራኤል ክትነግስ ቀቢኤካ እየ፡ ድማ በሎ። ሽዑ ማዕጾ ኸፊትካ ህደም፡ ኣይትደንጒ። 4እቲ መንእሰይ፡ ጊልያ እቲ ነብዪ፡ ከኣ ናብ ራሞትጊልዓድ ከደ። 5ምስ ኣተወ ድማ፡ እንሆ፡ እቶም ሓላቑ እቲ ሰራዊት ኮፍ ኢሎም ነበሩ። ንሱ ኸኣ፡ ኣታ ሓለቓ፡ ምሳኻ ጒዳይ ኣሎኒ፡ በለ። የሁ ድማ፡ ካብ ኲልናስ ምስ መን እዩ፧ በለ። ንሱ ኸኣ፡ ኣታ ሓለቓ፡ ምሳኻ፡ በለ። 6ተንሲኡ ድማ ናብ ቤት ኣተወ፡ ዘይቲ ኣብ ርእሱ ኣፍሲሱ ኸኣ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኣብ ህዝቢ እግዚኣብሄር፡ ኣብ እስራኤል ክትነግስ ቀቢኤካ ኣሎኹ። 7ኣነ ኸኣ ደም ባሮተይ ነብያትን ደም ዂሎም ባሮት እግዚኣብሄርን ካብ ኢድ ኢዛቤል ሕነ ኽፈድስ፡ ንቤት ጐይታኻ ኣከኣብ ከተጽንታ ኢኻ። 8ብዘላ ቤት ኣከኣብ ክትበርስ እያ፡ ኣብ እስራኤል ድማ እሱር ኰነ ዘይእሱር፡ ኣብ መንደቕ ተጸጊዑ ዝሸይን ዘበለ፡ ካብ ኣከኣብ ከጸንት እየ። 9ንቤት ኣከኣብ ከኣ ከም ቤት የሮብዓብ ወዲ ናባጥን ከም ቤት ባዕሳ ወዲ ኣሒያን ክገብራ እየ። 10ንኢዛቤል ድማ ኣብ ቃድራ ይዝርኤል ኣኽላባት ክበልዕዋ እዮም፡ ዝቐብራ ከኣ የልቦን፡ በለ። ማዕጾ ኸፊቱ ድማ ሃደመ።
11የሁ ናብቶም ገላዉ ጐይታኡ ምስ ወጸ ኸኣ፡ ደሓን ድዩ፧ እዚ ዕቡድ እዚ እንታይ ደልዩ እዩ መጺኡካ ዝነበረ፧ በልዎ። ንሱ ድማ፡ ነዚ ሰብኣይ እዝን ነቲ ዘረባኡን ንስኻትኩም ትፈልጥዎ ኢኹም፡ በሎም። 12ንሳቶም ግና፡ ሓሶት እዩ፡ ንስኻ ግዳ ንገረና፡ በልዎ። ንሱ ኸኣ በለ፡ ከምዝን ከምዝን ተዛረበኒ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኣብ እስራኤል ክትነግስ ቀቢኤካ ኣሎኹ፡ በለኒ። 13ሽዑ ተቓላጢፎም ነፍሲ ወከፍ ከክዳኖም ወሲዶም ኣብ ትሕቲኡ ኣብቲ መደያይቦ ኣንጸፉ፡ መለኸት ነፊሖም ድማ፡ የሁ ነገሰ፡ በሉ።
14የሁ፡ ወዲ ዮሳፋጥ ወዲ ኒምሺ፡ ከኣ ንዮራም ተማሓሓለሉ። ብምኽንያት ሓዛኤል ንጉስ ሶርያ ድማ ዮራም፡ ንሱን ብዘሎ እስራኤልን ኣብ ራሞትጊልዓድ ኰይኖም ይሕልዉ ነበሩ። 15ንጉስ ዮራም ግና እቲ ምስ ሓዛኤል ንጉስ ሶርያ ኽዋጋእ ከሎ፡ ሶርያውያን ዝወግእዎ ቑስሊ ኣብ ይዝርኤል ክፍወስ ተመሊሱ ነበረ፡ የሁ ኸኣ። ፍቓድኩም እንተ ዀይኑስ፡ ከይዱ ኣብ ይዝርኤል ከይነግር ካብዛ ኸተማ ሓደ እኳ ሃዲሙ ኣይውጻእ፡ በለ። 16ዮራም ኣብኡ ደቂሱ ነበረ እሞ፡ የሁ ኣብ ሰረገላ ደዪቡ ናብ ይዝርኤል ከደ። ኣሓዝያ ንጉስ ይሁዳ ድማ ንዮራም ክርኢ ወሪዱ ነበረ። 17እቲ ኣብ ግምቢ ይዝርኤል ደው ኢሉ ዝነበረ ዘብዐኛ ኸኣ ጭፍራ የሁ ኽመጽእ ርእዩ፡ ኣነ ጭፍራ እርኢ ኣሎኹ፡ በሎ። ዮራም ድማ፡ ሓደ ፈረሰኛ ውሰድ እሞ፡ ደሓንዶ ኢኹም፧ ኢሉ ኽቃባበሎ ስደዶ፡ በለ።18ሓደ ኸኣ ፈረስ ተወጢሑ ኽቃባበሎ ኸይዱ፡ ንጉስ፡ ደሓንዶ ኢኹም፧ ይብል ኣሎ፡ በለ። የሁ ኸኣ፡ ናይ ደሓን እንታይ ገዲሱካ፧ ንድሕረይ ግዳ ሕለፍ፡ በለ። እቲ ዘብዐኛ ድማ፡ እቲ ልኡኽ ክሳዕ ናብኦም በጺሑ፡ ግናኸ ኣይተመልሰን። ኢሉ ነገረ።19ሽዑ ኻልኣይ ፈድረሰኛ ሰደደ። ንሱ ድማ ናብኦም መጺኡ፡ ንጉስ፡ ደሓንዶ ኢኹም፧ ይብል ኣሎ፡ በለ። የሁ ኸኣ፡ ናይ ደሓን እንታይ ገዲሱካ፡ ንድሕረይ ግዳ ሕለፍ፡ በለ። 20እቲ ዘብዐኛ ድማ፡ ክሳዕ ናብኦም በጽሐ፡ ግናኸ ኣይተመልሰን። ከም ዕቡድ ይኸይድ ኣሎ እሞ፡ እቲ ኣኻይዳኡስ ከም ኣኻይዳ የሁ ወዲ ኒምሺ እዩ፡ ኢሉ ነገረ።
21ሽዑ ዮራም፡ ጽዓኑ፡ በለ። ሰረገላ ድማ ጸዓኑሉ። ዮራም ንግስ እስራኤል ኣሓዝያ ንጉስ ይሁዳን ከኣ ነፍሲ ወከፍ ናብ ሰረገላኡ ደየበ፡ ንየሁ ኽቃባበልዎ ድማ ወጹ፡ ኣብ ግራት ናቦት ይዝርኤላዊ ኸኣ ረኸብዎ። 22ኰነ ድማ፡ ዮራም ንየሁ ምስ ረኣዮ፡ የሁ፡ ደሓን ዲኻ፧ በለ። ንሱ ኸኣ፡ እቲ ናይ ኣዴኻ ኢዛቤል ምንዝርናን እቲ ብዙሕ ኣስማታን ክሳዕ ዘሎ፡ እንታይ ደሓኑ እዩ፧ በለ። 23ዮራም ድማ ኢዱ መሊሱ ሃደመ፡ ንኣሓዝያ ኸኣ፡ ኣታ ኣሓዝያ፡ ጠቢሩና እዩ፡ በሎ። 24የሁ ግና ቀስቱ ብኢዱ ገቲሩ ንዮራም ኣብ መንጎ መናኲቡ ወግኦ፡ እቲ ፍላጻ ድማ ብልቡ ወጸ። ኣብቲ ሰረገላኡ ኸኣ ተቘልዓጸ። 25የሁ ንቢድቃር ሓላቓኡ፡ ኣልዒልካ ኣብ ክፍሊ ግራት ናቦት ይዝርኤላዊ ደርብዮ፡ እቲ ኣነን ንስኻን ተወጢሕና ደድሕሪ ኣቦኡ ኣከኣብ ክንስዕብ ከሎና፡ እቲ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊኡ ኸምዚ ዝበለ ነገር ዘንበረሉ ዘክር፡ 26ነቲ ደም ናቦትን ደም ደቁን ብርግጽ ትማሊ ርእየዮ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ኣነውን ኣብዛ ግራት እዚኣ ኽፈድየካ እየ፡ ይብል እግዚብሄር። ሕጂ ከኣ ከምቲ ዘረባ እግዛቢሄር ወሲድካስ ኣብታ ግራት ደርብዮ፡ በሎ።
27ኣሓዝያ ንጉስ ይሁዳ ድማ እዚ ምስ ረኣየ፡ ብመገዲ ቤት ኣታኽልቲ ኣቢሉ ሃደመ። የሁ ግና ደድሕሪኡ ስዒቡ፡ ንእኡውን ኣብ ሰረገላ ኸሎ ውግእዎ፡ በሎም። ኣብታ ጥቓ ዪብለዓም ዘላ ዓቐበት ጉር ከኣ ወግእዎ። ናብ መጊዶ ሃዲሙ ድማ ኣብኡ ሞተ። 28እቶም ገላዉኡ ኸኣ ኣብ ሰረገላ ገይሮም ናብ የሩሳሌም ወሰድዎ፡ ምስ ኣቦታቱ ድማ ኣብ ከተማ ዳዊት ኣብ መቓብሩ ቐበርዎ። 29ኣሓዝያ ኸኣ ንዮራም ወዲ ኣከኣብ ኣብ መበል ዓሰርተው ሓደ ዓመቱ ኣብ ልዕሊ ይሁዳ ነገሰ።
30ኢዛቤል ድማ የሁ ናብ ይዝርኤል ከም ዝመጸ ምስ ሰምዐት፡ ኣዒንታ ተዂሒላ፡ ርእሳ ኸኣ ተሰሪሓ ብመስኰት ኰይና ትጥምት ነበረት። 31የሁ ብደገ ምስ ኣተወ ድማ፡ ኣታ ዚምሪ ቐታል ጐይታኡ፡ ደሓን ዲኻ፧ በለቶ። 32ንሱ ኸኣ ገጹ ናብ መስኰት ኣንቃዕሪሩ፡ ምሳይ መን ኣሎ፧ መን፧ በለ። ሽዑ ኽልተ ሰለስተ ስሉባት ናብኡ ኣቢሎም ግልጽ በሉ። 33ንሱ ድማ፡ ኣጽድፍዋ፡ በለ። ኣጽደፍዋ እሞ፡ ካብቲ ደማ ናብ መንደቕን ናብ ኣፍራስን ተነጽገ። ረጊጽዋ ኸኣ ሓለፈ። 34ምስ ኣተወ ድማ፡ በሊዑን ሰትዩን፡ በጃኹም፡ ነዛ ርግምቲ እዚኣ ርኣይዋ፡ ንሳ ጓል ንጉስ እያ እሞ፡ ቅበርዋ፡ በለ። 35ክቐብርዋ ከኣ ኸዱ፡ ግናኸ ብጀካ ቐረንቀራን ኣእጋርን ግናዕ ኣእዳዋን ገለ እኳ ኣይረኸቡላን።36-37ተመሊስም ድማ ነገርዎ። ንሱ ኸኣ፡ እዚ እቲ ብባርያኡ ኤልያስ ቲስቢታዊ፡ ንስጋ ኢዛቤል ኣብ ግራት ይዝርኤል ኣኽላባት ክበልዕዎ እዮም፡ ሬሳ ኢዛቤል ድማ፡ እዚኣስ ኢዛቤል እያ፡ ዝብል ክሳዕ ዘይርከብ፡ ኣብ ልዕሊ ግራት ይዝርኤል ከም ድዂዒ ክኸውን እዩ፡ ኢሉ እተዛረቦ ቓል እግዚኣብሄር እዩ፡ በለ።
2ይ ነገስት ምዕራፍ 10
1ኣከኣብ ከኣ ኣብ ሰማርያ ሰብዓ ኣወዳት ነበርዎ። የሁ ድማ ናብ ሰማርያ፡ ናብ ሓላቑ ይዝርኤል፡ ናብቶም ዓበይትን ናብቶም መዕበይቲ ደቂ ኣከኣብን ከምዚ ዝብል ደብዳበ ጽሒፉ ሰደደ፡ 2ሕጂ ኸኣ እዛ ደብዳበ እዚኣ ምስ በጽሓትኩም፡ ደቂ ጐይታኹም ምሳኻትኩም ከለዉ ሰረገላታትን ኣፍራስን እተዓርደ ኸተማን ኣጽዋርን ድማ ምሳኻትኩም ከሎስ፡ 3ካብቶም ደቂ ጐይታኹም እቲ ዝጸበቐን ዝሐሸን ርኢኹም ኣብ ዝፋን ኣቦኡ ኣቐምጥዎ እሞ ስለ ቤት ጐይታኹም ተዋግኡ። 4ንሳቶም ግና እምብዛ ተሸበሩ እሞ፡ እንሆ፡ ክልተ ነገስታት እኳ ኣብ ቅድሚኡ ዘይቈሙስ፡ ንሕና ግዳ ኸመይ ጌርና ንቐውም፧ በሎ፡ 5እቲ ኣዛዝ ቤትን እቲ ኣዛዝ እታ ኸተማን እቶም ዓበይትን እቶም መዕበይቲ ደቅን ናብ የሁ፡ ንሕና ገላዉኻ ኢና፡ ዝበልካና ዘበለ ዂሉ ንገብር፡ ባህ ዘብለካ ደኣ ግበር እምበር፡ ንሓደ እኳ ኣይነንግስን ኢና፡ ኢሎም ለኣኹ።
6ሽዑ ኻልእ ሳዕ፡ ንስኻትኩም ምሳይ እንተ ዄንኩም፡ ቃለይ ድማ እንተ ሰሚዕኩምሲ፡ ኣርእስ እቶም ሰባት ደቂ ጐይታኹም ውሰዱ እሞ፡ ጽባሕ ከምዛ ግዜ እዚኣ ናብ ይዝርኤል ናባይ ምጹ፡ ኢሉ ደብዳበ ጸሓፈሎም። እቶም ደቂ ንጉስ ድማ ሰብዓ ሰብ ምስቶም ዘዕብይዎም ዓበይቲ እታ ኸተማ እዮም ዝነበሩ። 7ኰነ ኸኣ፡ እታ ደብዳበ ምስ በጽሓቶም፡ ነቶም ደቂ ንጉስ፡ ሰብዓ ሰብ፡ ሒዞም ሓረድዎም፡ ነቲ ኣራእሶም ድማ ኣብ ከፈራት ገይሮም ናብ ይዝርኤል ናብኡ ሰደድዎ። 8ልኡኽ መጺኡ ኸኣ፡ ኣራእስ እቶም ደቂ ንጉስ ኣምጺኦምዎ፡ ኢሉ ነገሮ። ንሱ ድማ፡ ክሳዕ ጽባሕ ኣብቲ ኣፍ ደገ ኣብ ክልተ ዂምራ ግበርዎ፡ በለ። 9ኰነ ኸኣ፡ ንጽብሒቱ ወጸ፡ ደው ኢሉ ድማ ነቲ ዂሉ ህዝቢ፡ ንስኻትኩምሲ ጻድቃን ኢኹም፡ እንሆ፡ ንጐይታይ እተማሓሓልኩሉን ዝቐተልክዎን ኣነ እየ፡ ነዚኣቶም ኲሎምከ መን ቀተሎምም፧ 10እምብኣርሲ ኻብቲ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ቤት ኣከኣብ እተዛረቦ ቓል እግዚኣብሄር ገለ እኳ ኣብ ምድሪ ኸም ዘይወድቕ ፍለጡ፡ እቲ እግዚኣብሄር ነቲ ብባርያኡ ኤልያስ እተዛረቦ ገበሮ፡ በለ። 11የሁ ኸኣ ኣብ ይዝርኤል ካብ ቤት ኣከኣብ ተሪፎም ንዝነበሩ ዂሎምን ንብዘለዉ ዓበይቱን ኣመንቱን ካህናቱን ድማ፡ ሓደ እኳ ኸየትረፈ ቐተሎም።
12ድሕርዚ ኸኣ ተንሲኡ ኸደ፡ ናብ ሰማርያ ድማ መጸ። ኣብታ ኣብ መገዲ ዘላ ቤት መኣከቢ ጓሶት ምስ በጽሐ፡ 13የሁ ነሕዋት ኣሓዝያ ንጉስ ይሁዳ ረኸቦም እሞ፡ ንስኻትኩም እንመን ኢኹም፧ በሎም። ንሳቶም ከኣ፡ ንሕና ኣሕዋት ኣሓዝያ ኢና፡ ንደቂ ንጉስን ደቂ ንግስትን ሰላም ክንብል ድማ ንወርድ ኣሎና፡ በሉ። 14ንሱ ኸኣ፡ ብህይወቶም ሓዝዎም፡ በለ። ነቶም ኣርብዓን ክልተን ሰብ ከኣ ብህይወቶም ሒዝም ኣብቲ ኣብ ጥቓ ቤት መኣከቢ ጓሶት ዘሎ ዔላ ሓረድዎም፡ ካባታቶም ሓደ ሰብ እኳ ኣየትረፈን።
15ካብኡ ምስ ከደ ኸኣ፡ ዮናዳብ ወዲ ሬካብ ክቃባበሎ ኸሎ ረኸቦ፡ ሰላም ኢልዎ ድማ፡ ከምቲ ልበይ ምስ ልብኻ ዘሎ፡ ልብኻኸ ቕኑዕ ድዩ፧ በሎ። ዮናዳብ ከኣ፡ ከምኡ እዩ፡ በለ። ከምኡ እንተ ደኣ ዀይኑስ፡ ኢድካ ሃበኒ፡ በሎ። ኢዱ ድማ ሃቦ። ናብ ሰረገላ ኸኣ ናብኡ ኣደየቦ። 16ንዓ ምሳይ እሞ ቅንኣተይ ንእግዚኣብሄር ርአ፡ ድማ በለ። ኣብቲ ሰረገላኡ ኸኣ ኣወጥሕዎ። 17ናብ ሰማርያ ምስ ኣተወ ኸኣ፡ ከምቲ ቓል እግዚኣብሄር ንኤልያስ እተዛረቦ፡ ካብ ኣከኣብ ኣብ ሰማርያ ንዝተረፉ ዂሎም ክሳዕ ዘጽንቶም ቀተሎም።
18የሁ ድማ ንብዘለዉ ህዝቢ ኣኪቡ፡ ኣከኣብሲ ንበዓል ቅሩብ እዩ ዘገልግሎ፡ የሁ ግና ኣብዚሑ ኸገልግሎ እዩ። 19ሕጂ ኸኣ፡ ንበዓል ብዙሕ ዝስውኦ ኣሎኒ እሞ፡ ንዂሎም ነብያት በዓል፡ ኲሎም ኣገልገልቱን ኲሎም ካህናቱን ጸውዑለይ፡ ሓደ ሰብ እኳ ኣይጒደል፡ ዝጐደለ ዘበለ ብህይወት ኣይነብርን እዩ፡ በሎም። የሁ ግና ነቶም ኣገልገልቲ በዓል ምእንቲ ኸጽንቶም ኢሉ እዚ ብተንኰል ገበሮ። 20የሁ ኸኣ፡ ንበዓል ዓብዪ በዓል ቀድሱ፡ በለ። ንሳቶም ድማ ኣወጁ። 21የሁ ድማ ናብ ብዘሎ እስራኤል ለኣኸ፡ ኣገልገልቲ በዓል ከኣ ኲሎም መጹ፡ ከይመጸ ዝተረፈ ሰብ የልቦን። ናብ ቤት በዓል ድማ ኣተዉ፡ ቤት በዓል ከኣ ኣፍ ንኣፍ መልአት። 22ነቲ ሓላዉ ክዳውንቲ ድማ፡ ንዂሎም ኣገልገልቲ በዓል ክዳውንቲ ኣምጽኣሎም። በሎ። ንሱ ኸኣ ክዳውንቲ ኣምጸኣሎም። 23ሽዑ የሁ ምስ ዮናዳብ ወዲ ሬካብ ናብ ቤት በዓል ኣተወ እሞ ነቶም ኣገልገልቲ በዓል ጥራይሲ፡ ካብቶም ኣገልገልቲ እግዚኣብሄር ምሳኻትኩም ከይህሉ ኣስተብሂልኩም ርኣዩ፡ በሎም።
24መስዋእቲ ሕሩድን ዝሓርር መስዋእትን ክስውኡ ኸኣ ኣተዉ። የሁ ግና ሰማንያ ሰብ ብወጻኢ ኣቐመጡ፡ ካብዞም ኣነ ኣብ ኢድኩም ኣሕሊፈ ሂበኩም ዘሎኹ ሰባት ሓደ ሰብ እንተ ኣምለጠ፡ ኣብ ክንዲ እታ ነፍሲ እቲኣ ነፍሱ ኽትሓልፍ እያ፡ በለ። 25ኰነ ድማ፡ ነቲ ዝሓርር መስዋእቲ ሰዊኡ ምስ ፈጸመ፡ የሁ ነቶም ዘብዐኛታትን ሓላቑን፡ እተዉ፡ ቅተልዎም፡ ሓደ ሰብ እኳ ኣይውጻእ፡ በሎም። ብስሕለት ሴፍ ከኣ ቀተልዎም፡ እቶም ዘብዐኛታትን ሓላቑን ድማ ደርብዮምዎም ናብ ከተማ ቤት በዓል ከዱ። 26ነቲ ኣብ ቤት በዓል ዝነበረ ምስልታት ከኣ ኣውጺኦም ኣንደድዎ። 27ነቲ ምስሊ በዓል ድማ ሰባበርዎ፡ ነታ ቤት በዓልውን ኣፍሪሶም ክሳዕ ሎሚ ዓይነ ምድሪ ገይሮምዋ ኣለዉ። 28የሁ ኸምዚ ገይሩ ንበዓል ካብ እስራኤል ኣጥፍኦ። 29የሁ ግና ካብቲ ሓጢኣት የሮብዓም ወዲ ናባጥ፡ ንሱ ብእኡ ንእስራኤል ዘሕጥኣሉ፡ ማለት ደድሕሪ እቶም ኣብ ቤት-ኤልን ኣብ ዳንን ዝነበሩ ምራኹት ወርቂ ኻብ ምስዓብ ኣየግለሰን። 30እግዚኣብሄር ድማ ንየሁ፡ ኣብ ቅድመይ እቲ ቕኑዕ ዘበለ ኣጸቢቕካ ስለ ዝገበርካ፡ ንቤት ኣከኣብውን ከምቲ ኣብ ልበይ ዝነበረ ዂሉ ስለ ዝገበርካያ፡ ደቅኻ ኽሳዕ ራብዓይ ወለዶ ኣብ ዝፋን እስራኤል ክቕመጡ እዮም፡ በሎ። 31ግናኸ የሁ ብምሉእ ልቡ ብሕጊ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ንምኻድ ኣይተጠንቀቐን፡ ካብቲ ሓጢኣት የሮብዓም፡ ንሱ ብእኡ ንእስራኤል ዘሕጥኣሉ፡ ኣየግለሰን።
32በቲ ግዜቲ እግዚኣብሄር ንእስራኤል ክቑርምማ ጀመረ። ሓዛኤል ድማ ንእስራኤል ኣብ ኲሉ ዶባቶም ወቕዖም፡ 33ካብ ዮርዳኖስ ብወገን ምብራቕ ጸሓይ ንብዘላ ምድሪ ጊልዓድ፡ ንደቂ ጋድን ደቂ ሮቤልን ደቂ ምናሴን ኣብ ርባ ኣርኖን ዘላ ዓሮዔር ጀሚሩ ንጊልዓድን ባሳንን ከኣ ሰዓሮም።
34እቲ ዝተረፈ ናይ የሁ ነገርን ኲሉ ዝገበሮን ኲሉ መንፍዓቱን ድማ ንሱ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት እስራኤልዶ ተጽሒፉ ኣየሎን፧ 35የሁ ኸኣ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፡ ኣብ ሰማርያ ድማ ቀበርዎ። ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ዮኣሓዝ ነገሰ። 36እቲ የሁ ኣብ ሰማርያ ዀይኑ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝነገሰሉ ዘመን ድማ ዕስራን ሾሞንተን ዓመት እዩ።
2ይ ነገስት ምዕራፍ 11
1ዓታልያ ኣደ ኣሓዝያ ድማ ወዳ ኸም ዝሞተ ምስ ረኣየት፡ ተንሲኣ ንብዘሎ ዓሌት መንግስቲ ኣጥፍአት። 2ግናኸ የሆሸባ ጓል ንጉስ ዮራም፡ ሓብቲ ኣሓዝያ፡ ንዮኣስ ወዲ ኣሓዝያ ኻብ ማእከል እቶም እተቐትሉ ደቂ ንጉስ ሰሪቓ ወሰደቶ እሞ፡ ንእኡን ንመጒዚቱን ኣብ ሕልፍኚ ዓራት ኣእትያ ኻብ ቅድሚ ዓታልያ ሓብአቶ፡ ኣይተቐትለን ድማ። 3ምስኣ ተሓቢኡ ኸኣ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ሹድሽተ ዓመት ተቐመጠ። ኣብታ ሃገር ድማ ዓታልያ ነጊሳ ነበረት።
4በታ ሳብዓይቲ ዓመት ከኣ ዮያዳ ነቶም ናይ ካራውያን ሓላቑ ሚእትታትን ንዘብዐኛታትን ልኢኹ ኣምጽኦም፡ ናብኡ ድማ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣእተዎም፡ ምሳታቶም ኪዳን ኣትዩ ኸኣ፡ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ኣምሓሎም፡ ነቲ ወዲ ንጉስ ድማ ኣርኣዮም። 5ከምዚ ኢሉ ኸኣ ኣዘዞም፡ እቲ እትገብርዎ ነገር እዚ እዩ፡ እቶም ካባኻትኩም ብሰንበት ዝኣትዉ፡ ሲሶ ሓለዋ ቤተ ንጉስ ይሓልዉ፡ 6እቶም ሲሶ ድማ ኣብ ደገ ሱር፡ እቶም ሲሶ ኸኣ ኣብቲ ኣብ ድሕሪ እቶም ዘብዐኛታት ዘሎ ደገ ይኹኑ። ሓለዋ እታ ቤት ሓሊኹም ከኣ ከልክሉ። 7እቶም ክልተ ኽፍሊ ኻባኻትኩም ድማ፡ እቶም ብሰንበት ዝወጹ ዅሎም፡ ሓለዋ ቤት እግዚኣብሄር ኣብ ዙርያ ንጉስ ይሓልዉ። 8ነፍሲ ወከፍ ከኣ ኣጽዋሩ ኣብ ኢዱ ሒዙ ንንጉስ ብዙርያኡ ኽበብዎ። እቲ ጥሒሱ ኣብ መስርዕ ዝኣቱ ድማ ይሙት። እቲ ንጉስ ክወጽእን ክኣቱን ከሎ ኸኣ፡ ምስኡ ኹኑ።
9እቶም ሓላቑ ሚእቲ ኸኣ ከምቲ ኻህን ዮያዳ ዝኣዘዞም ኲሉ ገበሩ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰሰቦም፡ ነቶም ብሰንበት ዝኣትዉ ምስቶም ብሰንበት ዝወጹ ገይሮም ወሰድዎም፡ ናብ ካህን ዮያዳ ድማ መጹ። 10እቲ ኻህን ድማ እቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዝነበረ ናይ ንጉስ ዳዊት ዝነበረ ዂናውትን ዋላቱን ነቶም ሓላቑ ሚእቲ ሃቦም። 11እቶም ዘብዐኛታት ድማ ነፍሲ ወከፍ ኣጽዋሩ ብኢዱ ሒዙ ኻብ የማናይ መኣዝን እታ ቤት ጀሚሮም ክሳዕ ጸጋማይ መኣዝን እታ ቤት ኣብ ጥቓ እቲ መሰውእን እታ ቤትን፡ ኣብ ዙርያ እቲ ንጉስ ቈሙ። 12ሽዑ ነቲ ወዲ ንጉስ ኣውጺኡ ዘውዲ ደፍኣሉ፡ እቲ ምስክርውን ሃቦ። ኣንገስዎን ቀብእዎን ከኣ፡ ኣእዳዎም እናኣጥቕዑ ድማ፡ ንጉስ ህያው ይኹን፡ በሉ።
13ዓታልያ ድማ ድምጺ እቶም ዘብዐኛታትን ህዝብን ምስ ሰምዐት፡ ናብቲ ህዝቢ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ኣተወት። 14እንተ ጠመተት ከኣ፡ እንሆ፡ እቲ ንጉስ ከምቲ ስርዓት ኣብ ጥቓ ዓንዲ ቘይሙ ነበረ፡ እቶም ሓላቑን እቶም መለኸተኛታትን ድማ ምስ ንጉስ ነበሩ። ብዘሎ ህዝቢ እታ ሃገርውን ተሓጒሱ መለኸት ይነፍሕ ነበረ። ሽዑ ዓታልያ ኽዳውና ቐዲዳ፡ ዕልወት እዩ፡ ዕልወት እዩ፡ ኢላ ጨረሐት። 15እቲ ኻህን ዮያዳ፡ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ኣይትሙት፡ ኢሉ ነበረ እሞ፡ ካህን ዮያዳ ድማ ነቶም ነቲ ሰራዊት ዝመርሑ ሓላቑ ሚእቲ፡ ካብ ቤት ብማእከል መስርዕ ኣውጽእዋ፡ ንዝስዕባ ኸኣ ብሴፍ ቅተልዎ፡ ኢሉ ኣዘዞም። 16ሽዑ ሓዝዋ፡ በታ ኣፍራስ ናብ ቤተ ንጉስ ዝኣትዉላ መገዲ ድማ ከደት፡ ኣብኡ ኸኣ ቀተልዋ።
17ዮያዳ ድማ ህዝቢ እግዚኣብሄር ምእንቲ ክኸውን ኢሉ፡ ኣብ መንጎ እግዚኣብሄርን ኣብ መንጎ ንጉስን ህዝብን ኪዳን ኣቘመ፡ ኣብ መንጎ እቲ ንጉስን ኣብ መንጎ እቲ ህዝብን ከኣ ከምኡ ገበረ። 18ብዘለዉ ህዝቢ እታ ሃገር ድማ ናብ ቤት በዓል ኣትዮም ኣፍረስዋ፡ መሰውኢታቱን ምስልታቱን ኣዝዮም ሰባበርዎ፡ ንማታን ካህን በዓል ከኣ ኣብ ቅድሚ እቲ መሰውኢታት ሓረድዎ። እቲ ኻህን ድማ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ሓለውቲ ገበረ። 19ነቶም ሓላቑ ሚእትን ነቶም ካራውያንን ንዘብዐኛታትን ንብዘሎ ህዝቢ እታ ሃገርን ድማ ወሰደ፡ ነት ንጉስ ከኣ ካብ ቤት እግዚኣብሄር ኣውረድዎ፡ ብመገዲ ደገ ዘብዐኛታት ኣቢሎም ድማ ናብ ቤተ ንጉስ መጹ። ኣብ ዝፋን ነገስታት ከኣ ተቐመጠ። 20ብዘሎ ህዝቢ እታ ሃገር ከኣ ተሓጐሱ፡ እታ ኸተማውን ሃድአት። ንዓታልያ ግና ኣብ ቤተ ንጉስ ብሴፍ ቀተልዎ።
21ዮኣስ ክነግስ ከሎ ወዲ ሾብዓተ ዓመት ነበረ።
2ይ ነገስት ምዕራፍ 12
1ንየሁ ኣብ ሳብዓይቲ ዓመቱ ዮኣስ ነገሰ፡ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ኣርብዓ ዓምት ገዝአ። ስም ኣዲኡ ድማ ጺብያ፡ ንሳ ኻብ ብኤርሺባዕ እያ። 2ዮኣስ ከኣ በቲ ኻህን ዮያዳ ኽምህሮ ኸሎ ዝነበሮ ዂሉ ዘመን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ገበረ። 3ግናኸ ነቲ በረኽቲ ኣየግለስዎን፡ እቲ ህዝቢ ገና ኣብ በረኽቲ ይስውእን ይዓጥንን ነበረ።
4ዮኣስ ድማ ነቶም ካህናት፡ ኲሉ እቲ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ዝኣቱ እተቐደሰ ገንዘብ። ዝተሓላለፍ ገንዘብ፡ ነፍሲ ወከፍ ናይ ገምጋም ነፍሲ ዝህቦ ገንዘብን እቲ ልቡ ዝደፍኦ ሰብ ንቤት እግዚኣብሄር ኢሉ ዘምጽኦ ዂሉ ገንዘብን። 5እቶም ካህናት ነፍሲ ወከፎም ከካብ ዝፈልጥዎ ይውሰዱ እሞ ንሳቶም ነቲ ፍራሳት እታ ቤት፡ ኣብኣ እተረኽበ ዘበለ ዂሉ ፍራሳት ይጸግኑ፡ በሎም። 6ግናኸ እቶም ካህናት ነቲ ፍራሳት እታ ቤት ክሳዕ መበል ዕስራን ሰለስተን ዓመቱ ንንጉስ ዮኣስ ኣይጸገንዎን። 7ሽዑ ንጉስ ዮኣስ ንኻህን ዮያዳን ነቶም ካልኦት ካህናትን ጸዊዑ፡ ስለምንታይ ኢኹም ፍራሳት እዛ ቤት ዘይጸገንኩምዎ፧ ሕጂ ኸኣ መጸገን ፍራሳት እታ ቤት ሃቡ እምበር፡ደጊምሲ ኸካብቶም እትፈልጥዎም ገንዘብ ኣይትውሰዱ፡በሎም። 8እቶም ካህናት ድማ ካብቲ ህዝቢ ገንዘብ ከይወስዱ፡ ንፍራሳት እታ ቤት ከኣ ከይጽግኑ ሰመሩ። 9ካህን ዮያዳ ግና ሓደ ሳጹን ወሲዱ ኣብ መኽደኑ ነዃል ገበረ፡ ኣብ ጥቓ መሰውኢ ነቶም ናብ ቤት እግዚኣብሄር ዝኣትዉ ሰብ ብየማኖም ኣቐመጦ። እቶም ደገ ዝሕልዉ ኻህናት ድማ ነቲ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ዝኣተው ዂሉ ገንዘብ ናብኡ ኣእተዎዎ። 10ኰነ ኸኣ፡ ኣብቲ ሳጹን ብዙሕ ገንዘብ ከም ዘሎ ምስ ረኣዩ፡ ናይ ንጉስ ጸሓፍን እቲ ሊቀ ኻህናትን ደየቡ፡ ነቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር እተረኽበ ገንዘብ ቈጺሮም ኣብ ኣኽያሽ ኣሰርዎ። 11እቲ እተመዝነ ገንዘብ ድማ ኣብ ኢድ እቶም ነቲ ዕዮ ዝዓዩ ዋናታት ቤት እግዚኣብሄር ሃቡ። ንሳቶም ከኣ ነቶም ኣብ ቤት እግዛብሄር ዝዓዩ ጸረብቲ ዕጨይትን ንሃነጽትን። 12ንነደቕትን ንወቐርቲ እምንን ንምዕዳግ ኣእዋምን ውቑር እምንን ንምጽጋን እቲ ፍራሳት ቤት እግዚኣብሄር ዝኸውን፡ ንምጽጋን እታ ቤት ዝወጸ ዂሉ ድማ ይህብዎም ነበሩ፡ 13-14እቲ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ዝኣተወ ገንዘብ ከኣ ነቶም ነቲ ዕዮ ዝዓየዩ ሃብዎም፡ ንሳቶም ከኣ ነታ ቤት እግዚኣብሄር ጸገኑሉ እምበር፡ ካብኡስ ንቤት እግዚኣብሂር ዘድሊ ጻሕሊ ብሩር፡ መሳቐዪታት፡ ጭሔሎታት፡ መለኸት፡ ገለ እኳ ኣቕሓ ወርቂ ወይ ኣቕሓ ብሩር ኣይተገብረን። 15ነቶም ነቲ ዕዮ ዝዓዩ ኽህቡ እቲ ገንዘብ ኣብ ኢዶም ዝሃብዎም ሰባት ብእምነት ስለ ዝገበርዎ፡ ኣይጸባጸብዎምን ነበሩ። 16እቲ ገንዘብ መስዋኣቲ በደልን ገንዘብ መስዋእቲ ሓጢኣትን ንኻህናት ኰነ እምበር፡ ናብ ቤት እግዚኣብሄርሲ ኣይኣተወን።
17ሽዑ ሓዛኤል ንጉስ ሶርያ ደየበ እሞ፡ ንጋት ተዋጊኡ ሓዛ። ሓዛኤል ድማ ናብ የሩሳሌም ክድይብ ገጹ ኣቕንዐ። 18ዮኣስ ንጉስ ይሁዳ ኸኣ እቲ ኣቦታቱ ዮሳፋጥን ዮራምን ኣሓዝያን፡ ነገስታት ይሁዳ፡ ዝቐደስዎ ዂሉ ቅዱስ ነገርን ንሱ ዝቐደሶን ድማ፡ ኣብ መዝገብ ቤት እግዚኣብሄርን ኣብ ናይ ቤተ ንጉስን እተረኽበ ዂሉ ወርቅን ወሲዱ፡ ንሓዛኤል ንጉስ ሶርያ ሰደደሉ። ንሱ ኸኣ ካብ የሩሳሌም ተመልሰ።
19እቲ ዝተረፈ ናይ ዮኣስ ነገርን ኲሉ ዝገበሮን ድማ፡ ንሱ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት ይሁዳዶ ተጽሒፉ ኣየሎን፧ 20ንዮኣስ ድማ ገላዉኡ ተንሲኦም ማሕላ ተማሓሓሉሉ፡ ኣብታ ኣብ መውረዲት ሲላ ዘላ ቤት ሚሎ ኸኣ ቀተልዎ። 21እቶም ገላዉኡ ዮዛካር ወዲ ሺምዓትን ዮዛባድ ወዲ ሾሜርን ኰይኖም ወቕዕዎ፡ ሞተ ድማ፡ ኣብ ከተማ ዳዊት ከኣ ምስ ኣቦታቱ ቐበርዎ። ኣብ ክንዳኡ ድማ ወዱ ኣማስያ ነገሰ።
2ይ ነገስት ምዕራፍ 13
1ንዮኣስ ወዲ ኣሓዝያ፡ ንጉስ ይሁዳ፡ ኣብ መበል ዕስራን ሰለስተን ዓመቱ ዮኣሓዝ ወዲ የሁ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣብ ሰማርያ ነገሰ፡ ዓሰርተው ሾብዓተ ዓመት ከኣ ገዝአ። 2ንሱ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ፡ ደድሕሪ እቲ ሓጢኣት የሮብዓም ወዲ ናባጥ፡ ንሱ ብእኡ ንእስራኤል ዘሕጥኣሉ፡ ሰዓበ፡ ካብኡ ኣየግለሰን። 3ሽዑ ዂራ እግዚኣብሄር ኣብ እስራኤል ነደደ እሞ ብዂሉ እቲ ዘመን እቲ ኣብ ኢድ ሓዛኤል ንጉስ ሶርያን ኣብ ኢድ ቤንሃዳድ ወዲ ሓዛኤልን ኣሕሊፉ ሃቦም። 4ዮኣሓዝ ግና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ተማህለለ፡ እግዚኣብሄር ከኣ እቲ ጥቕዓት እስራኤል፡ ንጉስ ሶርያ ኸመይ ከም ዘጥቅዖም ርእዩ ነበረ እሞ፡ ሰምዖ። 5እግዚኣብሄር ድማ ንእስራኤል መድሓኒ ሃቦም እሞ፡ ካብ ትሕቲ ኢድ ሶርያውያን ወጹ። እቶም ደቂ እስራኤል ከኣ ከምቲ ናይ ቀደም ኣብ ድንኳውንቶም ተቐመጡ። 6ግናኸ ካብቲ ሓጢኣት ቤት የሮብዓም፡ ንሱ ብእኡ ደኣ ኸዱ። እታ ምስሊ ኣስታርተ ድማ ኣብ ሰማርያ ቘይማ ነበረት። 7እቲ ንጉስ ሶርያ ኸም ብቑብቑ ዓውዲ ገይሩ ኣጥፊእዎም ነበረ እሞ፡ ንዮኣሓዝ። ብጀካ ሓምሳ ፈረሰኛን ዓሰርተ ሰረገላን ዓሰርተ ሽሕ ኣጋርን፡ ገለ እኳ ኣየትረፈሉን።
8እቲ ዝተረፈ ናይ ዮኣሓዝ ነገርን ኲሉ ዝገበሮን መንፍዓቱን ንሱ ኣብ ዘመን ነገስታት እስራኤልዶ ተጽሒፉ ኣየሎን፧ 9ዮኣሓዝ ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፡ ኣብ ሰማርያውን ቀበርዎ። ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ዮኣስ ነገሰ።
10ንዮኣስ ንጉስ ይሁዳ ኣብ መበል ሰላሳን ሾብዓተን ዓመቱ ዮኣስ ወዲ ዮኣሓዝ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣብ ሰማርያ ነገሰ፡ ዓሰርተው ሹድሽተ ዓመት ከኣ ገዝአ። 11ንሱ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ፡ ካብቲ ዂሉ ሓጢኣት የሮብዓም ወዲ ናባጥ፡ ንሱ ብእኡ ንእስራኤል ዘሕጥኣሉ፡ ብእኡ ኸደ እምበር፡ ከቶ ኣየግለሰን።
12እቲ ዝተረፈ ናይ ዮኣስ ነገርን ኲሉ ዝገበሮን እቲ ምስ ኣማስያ ንጉስ ይሁዳ እተዋግኣሉ መንፍዓቱን፡ ንሱ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት እስራኤልዶ ተጽሒፉ ኣየሎን፧ 13ዮኣስ ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ። የሮብዓም ከኣ ኣብ ዝፋን ተቐመጠ። ዮኣስ ድማ ምስ ነገስታት እስራኤል ኣብ ሰማርያ ተቐብረ።
14ኤልሳእ ከኣ እታ ዝሞተላ ሕማም ሓመመ። ዮኣስ ንጉስ እስራኤል ድማ ናብኡ ወሪዱ፡ ኣብ ቅድሚኡ ዀይኑ፡ ኣቦየ፡ ኣቦየ፡ ናይ እስራኤል ሰረገላን ፈረሰኛታቱን፡ ኢሉ በኸየ። 15ኤልሳእ ከኣ፡ ቀስትን ፍላጻታትን ውሰድ፡ በሎ። ንሱ ድማ ቀስትን ፍላጻታት ወሰደ። 16ነቲ ንጉስ እስራኤል ከኣ፡ ኢድካ ኣብ ልዕሊ ቐስቲ ስቐል፡ በሎ። ኢዱ ድማ ሰቐለ። ኤልሳእ ከኣ ኢዱ ኣብ ልዕሊ ኢድ እቲ ንጉስ ገበረ። 17ንሱ ኸኣ፡ ነቲ ናይ ምብራቕ መስኰት ክፈቶ፡ በሎ። ከፈቶ ድማ። ኤልሳእ ከኣ፡ ወርውር፡ በሎ። ንሱ ድማ ወርወረ። ኤልሳእ ከኣ፡ ናይ ምድሓን ፍላጻ እግዚኣብሄር፡ ፍላጻ ምድሓን ኣብ ልዕሊ ሶርያ ንሶርያውያን ክሳዕ እትውድኦም ኣብ ኣፌቅ ክትስዕሮም ኢኻ፡ በለ። 18ፍላጻታት ውሰድ፡ ድማ በሎ። ወሰዶ ኸኣ። ንንጉስ እስራኤል ድማ፡ ንምድሪ ውቕዓያ፡ በሎ። ሰለስተ ሳዕ ወቒዑ ኸኣ ደው በለ። 19ሽዑ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ኰረየሉ እሞ፡ ሓሙሽተ ወይ ሹድሽተ ሳዕ ወቒዕካያ ኸም ኰንካ፡ ሽዑ ንሶርያውያን ክሳዕ እትውድኦም ምሰዓርካዮም ኔርካ። ሕጂ ግና ንሶርያውያን ሰለስተ ሳዕ ጥራይ ክትስዕሮም ኢኻ፡ በሎ።
20ኤልሳእ ድማ ሞተ፡ ቀበርዎውን። ብመጀመርታ ዓመት ከኣ ሓደጋ ዝወድቁ ኻብ ሞኣብ ናብታ ሃገር መጹ። 21ኰነ ድማ፡ ነቶም ወደቕቲ ሓደጋ ርእዮም ነቲ ሰብኣይ ናብ መቓብር ኤልሳእ ደርበይዎ። እቲ ሰብኣይ ከኣ ኣዕጽምቲ ኤልሳእ ምስ ተንከየ፡ ሓወየ፡ በእጋሩ ድማ ደው በለ።
22ሓዛኤል ንጉስ ሶርያ ኸኣ ብዂሉ ዘመን ዮኣሓዝ ንእስራኤል ኣጥቅዖም። 23እግዚኣብሄር ግና ይቕረ ኢሉ ደንገጸሎም፡ ስለ እቲ ምስ ኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን ዝኣተዎ ኪዳኑ ኢሉ ድማ ገጹ መለሰሎም፡ ከጥፍኦም ከኣ ኣይፈተወን፡ ክሳዕ ሕጂውን ካብ ቅድሚ ገጹ ኣይደርበዮምን። 24ሓዛኤል ንጉስ ሶርያ ድማ ሞተ፡ ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ቤንሃዳድ ነገሰ። 25ዮኣስ ወዲ ዮኣሓዝ ድማ ነተን ሓዛኤል ብውግእ ካብ ኢድ ኣቦኡ ዮኣሓዝ ወሲድወን ዝነበረ ኸተማታት ካብ ኢድ ቤንሃዳድ ወዲ ሓዛኤል መሊሱ ወሰደን። ዮኣስ ሰለስተ ሳዕ ሰዓሮ፡ ነተን ከተማታት እስራኤል ከኣ ኣምለሰን።
2ይ ነገስት ምዕራፍ 14
1ንዮኣስ ንጉስ እስራኤል፡ ወዲ ዮኣሓዝ፡ ኣብ ካልኣይ ዓመቱ ኣማስያ ወዲ ዮኣስ ኣብ ይሁዳ ነገሰ። 2ክነግስ ከሎ፡ ወዲ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ነበረ፡ ኣብ የሩሳሌም ድማ ዕስራን ትሽዓተን ዓመት ገዝአ። ስም ኣዲኡ ኸኣ ዮዓዳን ነበረ፡ ንሳ ኻብ የሩሳሌም እያ። 3ንሱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ገበረ። ግናኸ ከም ኣቦኡ ዳዊት ኣይኰነን፡ ከምቲ ኣቦኡ ዮኣስ ዝገበሮ ዂሉ ደኣ ገበረ። 4ነቲ በረኽቲ ግና ኣየግለስዎን፡ እቲ ህዝቢ ገና ኣብ በረኽቲ ይስውእን ይዓጥንን ነበረ። 5ኰነ ድማ፡ እታ መንግስቲ ኣብ ኢዱ ምስ ጸንዓትሉ፡ ነቶም ነቦኡ ንጉስ ዝቐተሉ ገላዉኡ ቐተሎም። 6ግናኸ፡ ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ሕጊ ሙሴ ተጽሒፉ ዘሎ፡ ነፍሲ ወከፍ ብሓጢኣቱ ደኣ ይሙት እምበር፡ ኣቦታት ኣብ ክንዲ ደቂ ኣይሙቱ፡ ደቂውን ኣብ ክንዲ ኣቦታት ኣይሙቱ፡ ኢሉ እግዚኣብሄር ከም ዝኣዘዘ፡ ነቶም ደቂ ቐታሎስ ኣይቀተሎምን።
7ንሱ ንኤዶማውያን ኣብ ለሰ ጨው ዓሰርተ ሽሕ ሰብኣይ ቀተለ፡ ንሴላ ኸኣ ብውግእ ሓዛ፡ ስማ ድማ ከምቲ ኽሳዕ ሎሚ ዘሎ፡ ዮቅትኤል ኢሉ ሰመያ።
8ሽዑ ኣማስያ ናብ ዮኣስ ንጉስ እስራኤል፡ ወዲ ዮኣሓዝ ወዲ የሁ፡ ንዓ ገጽ ንገጽ ንርእአ፡ ኢሉ ሊኡኻት ሰደደሉ። 9ዮኣስ ንጉስ እስራኤል ከኣ ንኣማስያ ንጉስ ይሁዳ ኸምዚ ኢሉ ለኣኸሉ፡ እቲ ኣብ ሊባኖስ ዝነበረ እሾዂ ነቲ ኣብ ሊባኖስ ዝነበረ ቄድሮስ፡ ንወደይ ሰበይቲ ኽትኰኖስ ጓልካ ሃበኒ፡ ኢሉ ለኣኸሉ። ኣብ ሊባኖስ ዝነበረ ኣራዊት መሮር ድማ ሓለፈ፡ ነቲ እሾዂ ከኣ ረገጾ። 10ንኤዶም ርግጽ ስዒርካ፡ ልብኻ ተዓብዩ ኣሎ፡ ክበር፡ ኣብ ቤትካ ድማ ተቐመጥ፡ ንስኻ ይሁዳ ኸኣ ምሳኻ ኽትወድቁሉስ፡ ስለምንታይ ኢኻ ነቲ መከራ እትደልዮ፧ 11ኣማስያ ግና ኣይሰምዖን። ሽዑ ዮኣስ ንጉስ እስራኤል ደየበ እሞ፡ ንሱን ኣማስያ ንጉስ ይሁዳን ኣብታ ኣብ ይሁዳ ዘላ ቤት-ሸመሽ ገጽ ንገጽ ተራኣኣዩ። 12ግናኸ ይሁዳ ኣብ ቅድሚ እስራኤል ተሳዕሩ፡ ነፍሲ ወከፍ ድማ ነናብ ድንኳኑ ሃደመ። 13ንኣማስያ ንጉስ ይሁዳ፡ ወዲ ዮኣስ ወዲ ኣሓዝያ፡ ድማ ዮኣስ ንጉስ እስራኤል ኣብ ቤት-ሸመሽ ወሰዶ፡ ናብ የሩሳሌም ከኣ መጸ፡ ንመካበብያ የሩሳሌም ካብ ደገ ኤፍሬም ጀሚሩ ኽሳዕ ደገ መኣዝን ኣርባዕተ ሚእቲ እመት ኣፍረሰ። 14ነቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄርን ኣብ መዝገብ ቤተ ንጉስን እተረኽበ ዂሉ ወርቅን ብሩርን ኲሉ ኣቓሑን ወሰደ፡ ደቂውን ዝሆ ሒዙ ናብ ሰማርያ ተመልሰ።
15እቲ ዝተረፈ ዮኣስ ዝገበሮ ነገርን መንፍዓቱን እቲ ምስ ኣማስያ ንጉስ ይሁዳ እተዋግኦን፡ ንሱ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት እስራኤልዶ ተጽሒፉ ኣየሎን፧ 16ዮኣስ ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፡ ምስ ነገስታት እስራኤል ከኣ ኣብ ሰማርያ ተቐብረ። የሮብዓም ወዱ ኸኣ ኣብ ክንዳኡ ነገሰ።
17ኣማስያ ንጉስ ይሁዳ፡ ወዲ ዮኣስ፡ ድማ ድሕሪ ሞት ዮኣስ ንጉስ እስራኤል፡ ወዲ ዮኣሓዝ፡ ዓሰርተው ሓሙሽተ ዓመት ጸንሐ። 18እቲ ዝተረፈ ናይ ኣማስያ ነገር፡ ንሱ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት ይሁዳዶ ተጽሒፉ ኣየሎን፧ 19ኣብ የሩሳሌም ድማ ማሕላ ተማሓሓሉ፡ ንሱ ኸኣ ናብ ላኪሽ ሃደመ፡ ደድሕሪኡ ድማ ናብ ላኪሽ ሰደዱ፡ ኣብኡውን ቀተልዎ፡ 20ኣብ ኣፍራስ ክኣ ሰቐልዎ፡ ምስ ኣቦታቱ ድማ ኣብ ከተማ ዳዊት ኣብ የሩሳሌም ተቐብረ።
21ብዘለዉ ህዝቢ ይሁዳ ድማ ንኣዛርያ፡ ንሱ ወዲ ዓሰርተው ሹድሽተ ዓመት ከሎ፡ ወሲዶም ንእኡ ኣብ ክንዲ ኣቦኡ ኣማስያ ኣንገስዎ። 22ንሱ ንኤላት ሰርሓ፡ ድሕሪ ምድቃስ እቲ ንጉስ ምስ ኣቦታቱ ድማ ናብ ይሁዳ ኣምለሳ።
23ንኣማስያ ንጉስ ይሁዳ፡ ወዲ ዮኣስ፡ ኣብ መበል ዓሰርተው ሓሙሽተ ዓመቱ የሮብዓም ወዲ ዮኣስ ንጉስ እስራኤል፡ ኣብ ሰማርያ ነገሰ፡ ኣርብዓን ሓደን ዓመት ድማ ገዝአ። 24ንሱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ፡ ካብቲ ዂሉ ሓጢኣት የሮብዓም ወዲ ናባጥ፡ ንሱ ብእኡ ንእስራኤል ዘሕጥኣሉ፡ ካብኡ ኣየግለሰን። 25ንሱ ኸምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል በቲ ኻብ ጋት-ሔፈር ዝነበረ ባርያኡ ነብዪ ዮናስ ወዲ ኣማቲ እተዛረቦ ቓል ነቲ ዶብ እስራኤል ካብቲ ንሓማት ዘእቱ ጀሚሩ ኽሳዕ ባሕሪ ጐልጐል ኣምለሶ። 26እዚ እግዚኣብሄር እቲ ጸበባ እስራኤል እምብዛ ኸም ዝመረረ፡ እሱር ኰነ ዘይእሱር ድማ ከም እተወድአ፡ ንእስራኤል ከኣ ረዳኢ ኸም ዘይብሉ ስለ ዝረኣየ እዩ። 27እግዚኣብሄር ድማ ንስም እስራኤል ካብ ትሕቲ ሰማይ ክድምስሶ ኢሉ ኣይተዛረበን፡ ስለዚ ብኢድ የሮብዓም ወዲ ዮኣስ ኣድሓኖም።
28እቲ ዝተረፈ ናይ የሮብዓም ነገርን እቲ ዝገበሮ ዂሉን መንፍዓቱን፡ ድማ ከመይ ከም እተዋግአ፡ ነተን ናይ ይሁዳ ዀይነን ዝነበራ ደማስቆን ሓማትን ከኣ ናብ እስራኤል ከም ዘምለሰን፡ ንሱ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት እስራኤልዶ ተጽሒፉ ኣየሎን፧ 29የሮብዓም ድማ ምስ ኣቦታቱ፡ ምስ ነገስታት እስራኤል ደቀሰ። ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ዘካርያስ ነገሰ።
2ይ ነገስት ምዕራፍ 15
1ንየሮብዓም ንጉስ እስራኤል ኣብ መበል ዕስራን ሾብዓተን ዓመቱ ኣዛርያ፡ ወዲ ኣማስያ ንጉስ ይሁዳ፡ ነገሰ። 2ክነግስ ከሎ ኸኣ ወዲ ዓሰርተው ሹድሽተ ዓመት ነበረ፡ ሓምሳን ክልተን ዓመት ድማ ኣብ የሩሳሌም ገዝአ። ስም ኣዲኡ ኸኣ የኮልያ እዩ፡ ንሳ ኻብ የሩሳሌም እያ። 3ከምቲ ኣቦኡ ኣማስያ ዝገበሮ ዂሉ፡ ንሱ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ገበረ። 4ግናኸ ነቲ በረኽቲ ኣየግለስዎን ነበሩ፡ እቲ ህዝቢ ገና ኣብ በረኽቲ ይስውእን ይዓጥንን ነበረ። 5እግዚኣብሄር ድማ ነቲ ንጉስ ወቕዖ፡ ክሳዕ መዓልቲ ሞቱ ኸኣ ለምጻም ኰነ፡ ኣብ ፍልይቲ ቤትውን ይቕመጥ ነበረ። ዮታም ወዲ ንጉስ ድማ ዋና እታ ቤት ኰይኑ ንህዝቢ እታ ሃገር ይፈርድ ነበረ።
6እቲ ዝተረፈ ናይ ኣዛርያ ነገርን ኲሉ እቲ ዝገበሮን፡ ንሱ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት ይሁዳዶ ተጽሒፉ ኣየሎን፧ 7ኣዛርያ ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፡ ኣብ ከተማ ዳዊትውን ምስ ኣቦታቱ ቐበርዎ። ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ዮታም ወዱ ነገሰ።
8ንኣዛርያ ንጉስ ይሁዳ ኣብ መበል ሰላሳን ሾሞንተን ዓመቱ ዘካርያስ ወዲ የሮብዓም ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣብ ሰማርያ ነገሰ፡ ሹድሽተ ወርሒ ኸኣ ገዝአ። 9ከምቲ ኣቦታቱ ዝገበርዎ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ፡ ካብቲ ሓጢኣት የሮብዓም ወዲ ናባጥ፡ ንሱ ብእኡ ንእስራኣኤል ዘሕጥኣሉ፡ ኣየግለሰን። 10ሻሉም ወዲ ያቤሽ ድማ ተማሓሓለሉ እሞ ኣብ ቅድሚ እቲ ህዝቢ ወቒዑ ቐተሎ፡ ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ነገሰ።
11እቲ ዝተረፈ ናይ ዘካርያስ ነገር፡ ንሱ እንሆ፡ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት እስራኤል ተጽሒፉ ኣሎ። 12እቲ እግዚኣብሄርስ ንየሁ፡ ደቅኻ ኽሳዕ ራብዓይ ወለዶ ኣብ ዝፋን እስራኤል ክቕመጡ እዮም፡ ኢሉ እተዛረቦ ቓል እዚ እዩ። ከምኡ ኸኣ ዀነ።
13ንኡዝያ ንጉስ ይሁዳ ኣብ መበል ሰላሳን ትሽዓተን ዓመቱ ሻሉም ወዲ ያቤሽ ነገሰ እሞ ኣብ ሰማርያ ሓንቲ ወርሒ ገዝአ። 14ምናሔም ወዲ ጋዲ ኸኣ ካብ ቲርጻ ደዪቡ ናብ ሰማርያ መጸ፡ ንሻሉም ወዲ ያቤሽ ድማ ኣብ ሰማርያ ወቒዑ ቐተሎ፡ ኣብ ክንዳኡውን ነገሰ።
15እቲ ዝተረፈ ናይ ሻሉም ነገርን እቲ እተማሓሓሎ ማሕላን፡ ንሱ እንሆ፡ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት እስራኤል ተጽሒፉ ኣሎ።
16ሽዑ ምናሔም ንቲፍሳሕን ኣብኣ ንዝነበረ ዂሉን፡ ንዶባታ ድማ ካብ ቲርጻ ጀሚሩ ተዋግኣ፡ እታ ኸተማ ኣይከፈቱሉን፡ ስለዚ ኸኣ ሰዓራ፡ ኣብኣ ንዝጸንሓ ዂለን ጥኑሳትውን ቀደደን።
17ንኣዛርያ ንጉስ ይሁዳ ኣብ መበል ሰላሳን ትሽዓተን ዓመቱ ምናሔም ወዲ ጋዲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ነገሰ እሞ ኣብ ሰማርያ ዓሰርተ ዓመት ገዝአ። 18ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ድማ ክፉእ ገበረ። ብዂሉ ዘመኑ ኸኣ ካብቲ ሓጢኣት የሮብዓም ወዲ ናባጥ፡ ንሱ ብእኡ ንእስራኤል ዘሕጥኣሉ ሓጢኣት፡ ኣየግለሰን። 19ፋል ንጉስ ኣሶር ድማ ናብታ ሃገር መጸ። ምናሔም ከኣ እታ መንግስቲ ኣብ ኢዱ ምእንቲ ኽትጸንዕ ክድግፎ ኢሉ፡ ንፋል ሽሕ ታለንት ብሩር ሃቦ። 20ምናሔም ድማ ንንጉስ ኣሶር ምእንቲ ኽህብ፡ ካብ እስራኤል ካብቶም ኣዝዮም ሃብታማት ዘበሉ፡ ካብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ሓምሳ ሲቃል ብሩር ኣውጽአ። እቲ ንጉስ ኣሶር ከኣ ተመልሰ፡ ኣብኣ ኣብታ ሃገርውን ኣይቈመን።
21እቲ ዝተረፈ ናይ ምናሔም ነገርን ኲሉ ዝገበሮን፡ ንሱ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት እስራኤልዶ ተጽሒፉ ኣየሎን። 22ምናሔም ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ። ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ጴቃሕያ ነገሰ።
23ንኣዛርያ ንጉስ ይሁዳ ኣብ መበል ሓምሳ ዓመቱ ጴቃሕያ ወዲ ምናሔም ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣብ ሰማርያ ነገሰ፡ ክልተ ዓመት ከኣ ገዝአ። 24ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ። ካብቲ ሓጢኣት የሮብዓም ወዲ ናባጥ፡ ንሱ ብእኡ ንእስራኤል ዘሕጥኣሉ፡ ኣየግለሰን። 25ጴቃሕ ወዲ ረማልያ፡ ንሱ ሓደ ኻብቶም ሓላቑኡ፡ ድማ ተማሓሓለሉ እሞ ንእኡ ምስ ኣርጎብርን ኣርየን ገይሩ ኣብ ሰማርያ ኣብ ኣደራሽ ቤተ ንጉስ ቀተሎ። ምስኡ ድማ ካብ ደቂ ጊልዓዳውን ሓምሳ ሰብ ነበሩ፡ ንእኡ ቐቲሉ ከኣ ኣብ ክንዳኡ ነገሰ።
26እቲ ዝተረፈ ናይ ጴቃሕያ ነገርን ኲሉ እቲ ዝገበሮን፡ ንሱ እንሆ፡ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት እስራኤል ተጽሒፉ ኣሎ። 27ንኣዛርያ ንጉስ ይሁዳ ኣብ መበል ሓምሳን ክልተን ዓመቱ፡ ጴቃሕ ወዲ ረማልያ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣብ ሰማርያ ነገሰ፡ ዕስራ ዓመት ድማ ገዝአ። 28ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከኣ ክፉእ ገበረ፡ ካብቲ ሓጢኣት የሮብዓም ወዲ ናባጥ፡ ንሱ ብእኡ ንእስራኤል ዘሕጥኣሉ፡ ኣየግለሰን። 29ብዘመን ጴቃሕ ንጉስ እስራኤል፡ ቲግላትጲ-ሌሰር ንጉስ ኣሶር መጸ፡ ንዒዮንን ንኣቤል-ቤት-ማዓካን ንያኖኣን ንቃዴስን ንሓጾርን ንጊልዓድን ንገሊላን፡ ብዘላ ምድሪ ንፍታሌም ሓዛ፡ ናብ ኣሶር ከኣ ማረኾም። 30ሆሴእ ወዲ ኤላ ድማ ንጴቃሕ ወዲ ረማልያ ተማሓሓለሉ፡ ወቒዑ ኸኣ ቀተሎ፡ ንዮታም ወዲ ኡዝያ ኣብ መበል ዕስራ ዓመቱ ድማ ኣብ ክንዳኡ ነገሰ።
31እቲ ዝተረፈ ናይ ጴቃሕ ነገርን ኲሉ እቲ ዝገበሮን፡ ንሱ እንሆ፡ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት እስራኤል ተጽሒፉ ኣሎ።
32ንጴቃሕ ንጉስ እስራኤል፡ ወዲ ረማልያ፡ ኣብ ካልኣይቲ ዓመቱ ዮታም፡ ወዲ ኡዝያ ንጉስ ይሁዳ፡ ነገሰ። 33ክነግስ ከሎ ኸኣ ወዲ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ነበረ፡ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ዓሰርተው ሹድሽተ ዓመት ገዝአ። ስም ኣዲኡ ድማ የሩሻ እዩ፡ ንሳ ጓል ጻዶቅ እያ። 34ንሱ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ገበረ፡ ከምቲ ኣቦኡ ኡዝያ ዝገበሮ ዂሉ ገበረ። 35ግናኸ ነቲ በረኽቲ ኣየግለስዎን፡ እቲ ህዝቢ ገና ኣብ በረኽቲ ይስውእን ይዓጥንን ነበረ። ንሱ ነቲ ላዕላይ ደገ ቤት እግዚኣብሄር ሰርሖ።
36እቲ ዝተረፈ ናይ ዮታም ነገርን ኲሉ እቲ ዝገበሮን፡ ንሱ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት ይሁዳዶ ተጽሒፉ ኣየሎን፧ 37በቲ ግዜ እቲ እግዚኣብሄር ንረጺን ንጉስ ሶርያን ንጴቃሕ ወዲ ረማልያን ንምጽራር ይሁዳ ኽሰዶም ጀመረ። 38ዮታም ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፡ ምስ ኣቦታቱ ከኣ ኣብ ከተማ ኣቦኡ ዳዊት ተቐብረ። ኣብ ክንዳኡ ድማ ወዱ ኣሃዝ ነገሰ።
2ይ ነገስት ምዕራፍ 16
1ንጴቃሕ ወዲ ረማልያ ኣብ መበል ዓሰርተው ሾብዓተ ዓመቱ ኣሃዝ፡ ወዲ ዮታም ንጉስ ይሁዳ፡ ነገሰ። 2ኣሃዝ ክነግስ ከሎ ወዲ ዕስራ ዓመት ነበረ፡ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ዓሰርተው ሹድሽተ ዓመት ገዝአ። ግናኸ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ኸም ኣቦኡ ዳዊት ቅኑዕ ኣይነበረን፡ 3ብመገዲ ነገስታት እስራኤል ደኣ ኸደ፡ አረ ንሱስ ከም ጽያፍ እቶም እግዚኣብሄር ካብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ዝሰጐጎም ኣህዛብ ዝበለ ገይሩ እኳ ደኣ ወዱ ብሓዊ ኣሕለፈ። 4ኣብ በረኽትን ኣብ ኲርባታትን ኣብ ትሕቲ ዂሉ ልምሉም ኣእዋምን ድማ ይስውእን ይዓጥንን ነበረ።
5ሽዑ ረጺን ንጉስ ሶርያን ጴቃሕ፡ ወዲ ረማልያ ንጉስ እስራኤልን ንየሩሳሌም ክዋግእዋ ደየቡ። ንኣሃዝ ድማ ከበብዎ፡ ክስርዕዎ ግና ኣይከኣሉን። 6በታ ግዜ እቲኣ ረጺን ንጉስ ሶርያ ንኤላት ናብ ሶርያ መለሳ እሞ፡ ነቶም ኣይሁድ ካብ ኤላት ሰጐጎም፡ ሶርያውያን ከኣ ናብ ኤላት መጺኦም፡ ክሳዕ ሎሚ ኣብኣ ተቐሚጦም ኣለዉ።
7ኣሃዝ ከኣ ናብ ቲግላት-ጲሌሰር ንጉስ ኣሶር ልኡኻት ሰዲዱ፡ ኣነ ጊልያካን ወድኻን እየ፡ ካብ ኢድ እቶም ተንሲኦምኒ ዘለዉ ንጉስ ሶርያን ንጉስ እስራኤልን ከተድሕነኒ ደይብ፡ በሎ። 8ኣሃዝ ድማ ነቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ኣብ መዝገብ ቤተ ንጉስን እተረኽበ ብሩርን ወርቅን ወሲዱ ንንጉስ ኣሶር ገጸ በረኸት ሰደደሉ። 9ንጉስ ኣሶር ከኣ ሰምዖ እሞ እቲ ንጉስ ኣሶር ንደማስቆ ደዪቡ ሓዛ፡ ኣብኣ ንዝነበሩ ድማ ማሪኹ ናብ ቂር ወሰዶም፡ ንረጺንውን ቀተሎ።
10ንጉስ ኣሃዝ ድማ ንቲግላት-ጴሌሰር ንጉስ ኣሶር ክቃባበሎ ናብ ደምስቆ ኸደ፡ ነቲ ኣብ ደማስቆ ዝነበረ መሰውኢ ኸኣ ረኣዮ። ንጉስ ኣሃዝ ድማ ምስሊ እቲ መሰውእን መልክዕ እቲ ዂሉ ስራሑን ገይሩ ንካህን ኡርያ ሰደደሉ። 11ካህን ኡርያ ኸኣ ከምቲ ንጉስ ኣሃዝ ካብ ደማስቆ ዝሰደደሉ ዂሉ ገይሩ ነቲ መሰውኢ ሰርሖ። ንጉስ ኣሃዝ ካብ ደማስቆ ኽሳዕ ዝመጽእ፡ ካህን ኡርያ ከምኡ ገበረ። 12እቲ ንጉስ ካብ ደማስቆ ምስ መጸ ድማ እቲ ንጉስ ነቲ መሰውኢ ረኣዮ፡ እቲ ንጉስ ናብቲ መሰውኢ ቐሪቡ ከኣ ናብኡ ደየበ። 13ነቲ ዝሓርር መስዋእቱን ነቲ ናይ ብልዒ መስዋእቱን ድማ ኣሕረረ፡ ናይ መስተ መስዋእቱውን ኣፍሰሰ፡ ደም እቲ ናይ ምስጋና መስዋእቱ ኸኣ ኣብ ልዕሊ እቲ መሰውኢ ነጸገ። 14ነቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዝነበረ መሰውኢ ኣስራዚ ድማ ካብ ቅድሚ እታ ቤት ካብ መንጎ እቲ መሰውኢኡን ቤት እግዚኣብሄርን ወሲዱ ብወገን ሰሜን እቲ መሰውኢ ኣቐመጦ። 15ንጉስ ኣሃዝ ድማ ንኻህን ኡርያ፡ እቲዝሓርር መስዋእቲ ብጊሓትን ናይ ምሸት መስዋእቲ ብልዕን፡ ናይ ንጉስ ዝሓርር መስዋእትን ናይ ብልዒ መስዋእቱን እቲ ዝሓርር መስዋእቲ ናይ ብዘሎ ህዝቢ እታ ሃገርን ናይ ብልዒ መስዋእቶምን ናይ መስተ መስዋእቶምን ኣብቲ ዓብዪ መሰውኢ ኣሕርሮ፡ ንዂሉ ደም እቲ ዝሓርር መስዋእትን ንዂሉ ደም እቲ መስዋእቲ ሕሩድን ከኣ ኣብ ልዕሊኡ ንጸጎ፡ ናይቲ መሰውኢ ኣስራዚ ግና እንታይ ከም ዝገበሮ ሓሳቡ ኣባይ ይኹን፡ ኢሉ ኣዘዞ።16ካህን ኡርያ ድማ ከምቲ ንጉስ ኣሃዝ ዝኣዘዞ ዂሉ ገበረ። 17ንጉስ ኣሃዝ ድማ ንወሰናት እቲ መቐመጢታት ሰባቢሩ፡ ነቲ ገበራ ካብ ልዕሊኡ ኣግለሶ፡ ነቲ ባሕሪውን ካብቶም ኣብ ትሕቲኡ ዝነበሩ ኣብዑር ኣስራዚ ኣውሪዱ፡ እምኒ ኣብ እተነጽፎ ምድሪቤት ኣንበሮ። 18ነታ ኣብታ ቤት ሰሪሖምዋ ዝነበሩ እተኸድነት መገዲ ሰንበት ነቲ ብወጻኢ ዝነበረ መእተው ንጉስን ከኣ ብምኽንያት ንጉስ ኣሶር ናብ ቤት እግዚኣብሄር መለሶ።
19እቲ ዝተረፈ ኣሃዝ ዝገበሮ ነገር ድማ፡ ንሱ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት ይሁዳዶ ተጽሒፉ ኣየሎን፧ 20ኣሃዝ ከኣ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፡ ስም ኣቦታቱ ድማ ኣብ ከተማ ዳዊት ተቐብረ። ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ህዝቅያስ ነገሰ።
2ይ ነገስት ምዕራፍ 17
1ንኣሃዝ ንጉስ ይሁዳ ኣብ መበል ዓሰርተው ክልተ ዓመቱ ሆሴእ ወዲ ኤላ ኣብ ሰማርያ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ነገሰ፡ ትሽዓተ ዓመት ከኣ ገዝአ። 2ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ድማ ክፉእ ገበረ፡ ግናኸ ከምቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ነገስታት እስራኤልስ ኣይኰነን። 3ሰልመናስር ንጉስ ኣሶር ንምጽራሩ ደየበ፡ ሆሴእ ከኣ ግዙኡ ዀይኑ ግብሪ ገበረሉ። 4እቲ ንጉስ ኣሶር ግና ኣብ ሆሴእ ዕልወት ረኸበ፡ ንሱ ናብ ሶእ ንጉስ ግብጺ ልኡኻት ሰዲዱ፡ ከምቲ ዓመት ንዓመት ዝገብሮ ዝነበረ፡ ንንጉስ ኣሶር ግብሪ ኣይሰደደሉን እሞ፡ እቲ ንጉስ ኣሶር ድማ ኣሲሩ ኣብ ቤት እሱራት ዓጸዎ። 5ሽዑ እቲ ንጉስ ኣሶር ናብ ብዘላ እታ ሃገር ደየበ፡ ናብ ሰማርያ ደዪቡ ኸኣ ሰለስተ ዓመተ ከበባ። 6ንሆሴእ ኣብ ታስዐይቲ ዓመቱ እቲ ንጉስ ኣሶር ንሰማርያ ሓዛ፡ ንእስራኤል ድማ ናብ ኣሶር ማረኾም ኣብ ሓላሕን ኣብ ሓቦርን ኣብ ጥቓ ርባ ጐዛንን ኣብ ከተማታት ሜዶናውያንን ኣቐመጦም። 7ደቂ እስራኤል ከኣ ነቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘደየቦም እግዚኣብሄር ኣምላኾም ስለ ዝበደሉ፡ ንኻልኦት ኣማልኽቲውን ስለ ዝፈርሁ እዩ ኸምኡ ዝዀነ። 8ንሳቶም ብሕጋጋት እቶም እግዚኣብሄር ካብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ዝሰጐጎም ህዝብታትን በቲ ነገስታት እስራኤል ዝገብርዎ ዝነበሩን ከዱ። 9እወ፡ ደቂ እስራኤል ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኾም ዘይቅኑዕ ነገር ብሕቡእ ገበሩ። ካብ ግምቢ ዘብዐኛታት ጀሚሮም ክሳዕ እታ ዕርድቲ ኸተማ ኣብ ኲለን ከተማታቶም ድማ በረኽቲ ሰርሑ። 10ኣብ ኲሉ ነዋሕቲ ዂርባታትን ኣብ ትሕቲ ዂሉ ልምሉም ኣእዋምን ከኣ ሓወልትታትን ኣስታርቴታትን ኣቘመ። 11ኣብኡ ድማ ከምቶም እግዚኣብሄር ካብ ቅድሚኦም ዝሰጐጎም ህዝብታት ኣብ ኲሉ በረኽቲ ይዓጥኑ ነበሩ። ንእግዚኣብሄር ከዀርይዎ ድማ ክፉእ ነገር ገበሩ። 12ነቶም እግዚኣብሄር፡ እዚ ነገር እዚ ኣይትግበርዎ ዝበሎም፡ ነቶም ጣኦታት ኣገልገልዎም። 13እግዚኣብሄር ግና ንእስራኤልን ንይሁዳን ብዂሎም ነብያትን ብዂሎም ረኣይትን ገይሩ፡ ካብ ክፉእ መገድኹም ተመለሱ፡ ከምቲ ነቦታትኩም ዝኣዘዝክዎም፡ ብባሮተይ ነብያት ገይረ ድማ ዝሰደድኩልኩም ኲሉ ሕጊ ትእዛዛተይን ሕጋጋተይን ሓልዉ፡ ኢሉ መስኪሩሎም ነበረ። 14ንሳቶም ግና ኣይሰምዑን፡ ከም ክሳድ እቶም ብእግዚኣብሄር ኣምላኾም ዘይኣመኑ ኣቦታቶም ደኣ ኽሳዶም ኣትረሩ። 15ንሕጋጋቱን እቲ ምስ ኣቦታቶም ዝኣተዎ ኪዳንን ነቲ ዝመስከረሎም ምስክራትን ነዓቑ፡ ደድሕሪ ኸንቱነት ስዒቦም ከኣ ከንቱ ዀኑ፡ ደድሕሪ እቶም እግዚኣብሄር ከማታቶም ከይገብሩ ዝኣዞዞም ኣብ ዙርያኦም ዝነበሩ ህዝብታት ድማ ሰዓቡ። 16ንዂሉ ትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኾም ሓዲጎም ከኣ ዝፈሰሰ ምስልታት፡ ክልተ ምራኹት ገበሩ፡ ኣስታርተውን ገበሩ፡ ንዂሎም ሰራዊት ሰማይ ድማ ሰገዱሎም፡ ንበዓልውን ኣገልገልዎ። 17ነወዳቶምን ነዋልዶምን ከኣ ብሓዊ ኣሕለፍዎም፡ ዛዕጐል የውድቑን የማርቱን ድማ ነበሩ። ምእንቲ ከዀርይዎ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ንምግባር ርእሶም ሸጡ።
18ስለዚ ኸኣ እግዚኣብሄር ብእስራኤል ኣዝዩ ዀረየ፡ ካብ ቅድሚኡ ድማ ኣርሓቖም። ብጀካ ነገድ ይሁዳ በይና ኻልእ ኣይተረፈን። 19ይሁዳ ኸኣ በቲ እስራኤል ዝገበርዎ ሕጋጋት ከደ እምበር፡ ንትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኾም ኣይሓለውዎን። 20እግዚኣብሄር ድማ ንብዘሎ ዘርኢ እስራኤል ንዒቑ ኣዋረዶም፡ ካብ ቅድሚኡ ኽሳዕ ዝድርብዮም ከኣ ኣብ ኢድ ማረኽቲ ኣሕሊፉ ሃቦም። 21ንሱ ንእስራኤል ካብ ቤት ዳዊት ፈልይዎም እዩ እሞ፡ ንሳቶም ድማ ንየሮብዓም ወዲ ናባጥ ኣንገስዎ፡ የሮብዓም ከኣ ንእስራኤል ንእግዚኣብሄር ካብ ምስዓብ ኣርሓቖም፡ ዓብዪ ሓጢኣትውን ኣሕጥኦም። 22-23እግዚኣብሄር ከኣ ንእስራኤል፡ ከምቲ ብዂሎም ባሮቱ ነብያት ተዛሪብዎ ዝነበረ፡ ካብ ቅድሚኡ ኽሳዕ ዝድርብዮም፡ እስራኤል ካብ ምድሩ ኽሳዕ ሎሚ ናብ ኣሶር ተማሪኹ ኣሎ። ደቂ እስራኤል ከኣ ብዂሉ ሓጢኣት የሮብዓም፡ በቲ ንሱ ዝገበሮ ኸዱ፡ ካብኡ ኣየግለሱን።
24እቲ ንጉስ ኣሶር ድማ ካብ ባቢሎንን ካብ ኩታህን ካብ ዓዋን ካብ ሓማትን ሰፋርዋዪምን ሰባት ኣምጺኡ ኣብ ክንዲ ደቂ እስራኤል ኣብ ከተማታት ሰማርያ ኣቐመጦም። ንሰማርያ ኸኣ ወረስዋ፡ ኣብ ከተማታታውን ተቐመጡ። 25ኰነ ድማ፡ እቲ መጀመርታ ኣብኡ ምስ ተቐመጡ ንእግዚኣብሄር ኣይፈርህዎን፡ ስለዚ እግዚኣብሄር ኣናብስ ሰደደሎም፡ ንሳቶም ከኣ ገለ ኻባታቶም ቀተሉ። 26ነቲ ንጉስ ኣሶር፡ እቶም ኣጒዒዝካ ኣብ ከተማታት ሰማርያ ዘቐመጥካዮም ህዝብታት ስርዓት ኣምላኽ እታ ሃገርስ ኣይፈልጡን እዮም፡ ስለዚ ኣናብስ ሰደደሎም፡ ስርዓት ኣምላኽ እታ ሃገር ምፍላጥ ስለ ዝሰኣኑ ኸኣ፡ እነዉ፡ ይቐትልዎም ኣለዉ፡ ኢሎም ነገርዎ። 27ሽዑ እቲ ንጉስ ኣሶር፡ ካብቶም ካብኡ ዝማረኽኩምዎም ካህናት ሓደ ናብኡ ስደዱ፡ ከይዶም ድማ ኣብኡ ይቀመጡ እሞ፡ ስርዓት ኣምላኽ እታ ሃገር ይምህሮም፡ ኢሉ ኣዘዘ፡ 28ካብቶም ካብ ሰማርያ ዝማረኽዎም ካህናት ሓደ መጺኡ ኸኣ ኣብ ቤት-ኤል ተቐመጠ፡ ንሱ ኸኣ ንእግዚኣብሄር ከመይ ከም ዝፈርህዎ መሃሮም። 29ግናኸ ነፍሲ ወከፍ ህዝቢ ኣብተን ዝቕመጥወን ከተማታት ነፍሲ ወከፍ ህዝቢ ኣማልኽቱ ገይሩ ኣብቲ ሳምራውያን ኣብ በረኽቲ ዝሰርሕዎ ኣባይቲ ኣንበሮም።። 30እቶም ሰብ ባቢሎን ከኣ ሱኮት-ቤኖት ገበሩ፡ እቶም ሰብ ኩት ድማ ኔርጋል ገበሩ፡ ሰብ ሓማት ከኣ ኣሲማ ገበሩ፡ 31እቶም ዓዋውያን ድማ ኒብሓዝን ተርታቅን ገበሩ፡ እቶም ሰፋርዋውያን ከኣ ንኣድራመለክን ንዓናመለክን፡ ኣማልኽቲ ሰፋርዋዪም፡ ደቆም ብሓዊ የንድዱ ነበሩ። 32ንእግዚኣብሄር ድማ ይፈርህዎ ነበሩ፡ ካብ ማእከሎም ከኣ ዝዀነ ሰብ ካህናት በረኽቲ ገበሩ፡ ንሳቶም ድማ ኣብ ኣባይቲ በረኽቲ ይስውኡሎም ነበሩ። 33ንእግዚኣብሄር ይፈርህዎ ነበሩ፡ ግናኸ፡ ከም ስርዓት እቶም ካብኡ ዝሰደድዎም ህዝብታት፡ ንኣማልኽቶም የገልግሉ ነበሩ። 34ክሳዕ ሎሚ ኸኣ ስርዓት ቀደም ይገብሩ ኣለዉ፡ ንእግዚኣብሄር ኣይፈርህዎን፡ ከም ሕጋጋቶምን ከም ፍርድታቶምን ወይ ከምቲ እግዚኣብሄርስ ንደቂ ያእቆብ፡ ንእኡ እስራኤል ኢሉ ዝሰመዮ፡ ዝኣዘዞም ሕግን ትእዛዝን ከኣ ኣይገበሩን። 35እግዚኣብሄር ድማ ምሳታቶም ኪዳን ኣተወ፡ ከምዚ ኢሉ ኸኣ ኣዘዞም፡ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኣይትፍርህዎምን ኣይትስገዱሎምን ኣይተገልግልዎምን ኣይትሰውኡሎምን። 36ነቲ ብዓብዪ ሓይልን ብዝርጉሕ ቅልጽምን ካብ ምድሪ ግብጺ ዘደየበኩም እግዚኣብሄር፡ ንእኡ ደኣ ፍርህዎ፡ ንእኡ ድማ ስገዱሉ፡ ንእኡ ኸኣ ሰውኡሉ። 37ነቲ ዝጸሓፈልኩም ስርዓታትን ፍርድታትን ሕግን ትእዛዝን ድማ ንሓዋሩ ኽትገብርዎ ተጠንቀቑ፡ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸኣ ኣይትፍርህዎም። 38ነቲ ምሳኻትኩም ዝኣቶኽዎ ኪዳን ከኣ ኣይትረስዕዎ፡ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸኣ ኣይትፍርህዎም። 39ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ደኣ ፍርህዎ፡ ንሱ ድማ ካብ ኢድ ኲላቶም ጸላእትኹም ከድሕነኩም እዩ። 40ንሳቶም ግና ከምቲ ስርዓት ቀደሞም ደኣ ገበሩ እምበር፡ ኣይሰምዑን። 41ከምኡ እዞም ህዝብታት እዚኣቶም ንእግዚኣብሄር ይፈርህዎ ነበሩ፡ ንጣኦታቶም ከኣ የገልግልዎም ነበሩ። እቶም ደቆምን ደቂ ደቆምን፡ ንሳቶም ድማ ክሳዕ ሎሚ ኸምቲ ኣቦታቶም ዝገበርዎ ይገብሩ ኣለዉ።
2ይ ነገስት ምዕራፍ 18
1ንሆሴእ ወዲ ኤላ፡ ንጉስ እስራኤል፡ ኣብ ሳልሰይቲ ዓመቱ ኸኣ ኰነ፡ ህዝቅያስ ወዲ ኣሃዝ፡ ንጉስ ይሁዳ፡ ነገሰ። 2ንሱ ኽነግስ ከሎ ወዲ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ነበረ፡ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ዕስራን ትሽዓተን ዓመት ገዝአ። ስም ኣዲኡ ድማ ኣቢ እዩ፡ ንሳ ጓል ዘካርያስ እያ። 3ከምቲ ኣቦኡ ዳዊት ዝገበሮ ዂሉ፡ ንሱ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ገበረ። 4ንሱ ነቲ በረኽቲ ኣግለሶ፡ ነቲ ሓወልትታት ድማ ሰባበሮ፡ ንኣስታርተ ኸኣ ቈረጾ፡ ነቲ ሙሴ ዝገበሮ ተመን ኣስራዚ ድማ፡ ደቂ እስራኤል ክሳዕ እቲ ዘመን እቲ ይዓጥኑሉ ነበሩ እሞ፡ ድርቅምቅም ኣበሉ፡ ንእኡ ኸኣ ነሑሽታን ሰመዮ። 5ብእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ተኣመነ፡ ኣብቶም ድሕሪኡ ዝነበሩ ዀነ ኣብቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ኣብ ኲሎም ነገስታት ይሁዳ ኸምኡ ዝበለ ኣይነበረን። 6ንሱስ ኣብ እግዚኣብሄር ጠበቐ፡ ካብ ምስዓቡ ኣየግለሰን፡ እቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ትእዛዛቱውን ሓለወ። 7እግዚኣብሄር ድማ ምስኡ ነበረ፡ ኣብ ዝወጾ ዘበለ ቐንዓሉ። ካብ ንጉስ ኣሶር ከኣ ዓለወ እሞ ኣይተገዝኣሉን። 8ንሱ ድማ ንፍልስጥኤማውያን ካብ ግምቢ ዘብዐኛታት ጀሚሩ ኽሳዕ እታ ዕርድቲ ኸተማ፡ ክሳዕ ጋዛን ዶባታን ሰዓሮም።
9ኰነ ድማ፡ ንንጉስ ህዝቅያስ ኣብ ራብዐይቲ ዓመቱ፡ ንሆሴእ ወዲ ኤላ፡ ንጉስ እስራኤል፡ ኣብ ሳብዐይቲ ዓመቱ ሰልመናስር ንጉስ ኣሶር ናብ ሰማርያ ደዪቡ ኸበባ። 10ኣብ መወዳእታ እታ ሳልሰይቲ ዓመቱ፡ ከኣ ሓዝዋ፡ንህዝቅያስ ኣብ ሳድሰይቲ ዓመት ንሳ ንሆሴእ ንጉስ እስራኤል ብታስዐይቲ ዓመቱ ሰማርያ ተታሕዘት። 11እቲ ንጉስ ኣሶር ድማ ንእስራኤል ናብ ኣሶር ማረኾም፡ ኣብ ሓላሕን ኣብ ሓቦርን ኣብ ርባ ጐዛንን ኣብ ከተማታት ሜዶናውያንን ኣቐመጦም። 12እዚ ኸኣ ንቓል እግዚኣብሄር ኣምላኾም ስለ ዘይሰምዕዎ፡ ንኺዳኑ ብምፍራሶም፡ እቲ ሙሴ ባርያ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞም ዂሉ ስለ ዘይሰምዕዎን ዘይገበርዎን እዩ።
13ንንጉስ ህዝቅያስ ኣብ መበል ዓሰርተው ኣርባዕተ ዓመቱ ድማ ሰናክሪብ ንጉስ ኣሶር ናብ ኲለን እተን ዕሩዳት ከተማታት ይሁዳ ደዪቡ ሓዘን። 14ሽዑ ህዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ ናብ ንጉስ ኣሶር ናብ ላኪሽ ልኢኹ፡ በዲለ እየ እሞ፡ ካባይ ተመለስ፡ እቲ እትጽዕነኒ እጸውር፡ በለ። ንጉስ ኣሶር ከኣ ኣብ ልዕሊ ህዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ ሰለስተ ሚእቲ ታለንት ብሩርን ሰላሳ ታለንት ወርቅን ጸዓኖ። 15ህዝቅያስ ድማ እቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄርን ኣብ መዝገብ ቤተ ንጉስን እተረኽበ ዂሉ ገንዘብ ሃቦ። 16በታ ግዜ እቲኣ ህዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ ነቲ መዓጹ መቕደስ እግዝኣብሄርን ልዳውትን ለቢጥዎ ዝነበረ ወርቂ ህዝቅያስ ባዕሉ ቐንጢጡ ንንጉስ ኣሶር ሃቦ።
17እቲ ንጉስ ኣሶር ግና ንታርታንን ንራብሳርስን ንራብሳቀን ምስ ብርቱዕ ሰራዊት ገይሩ ኻብ ላኪሽ ናብ ንጉስ ህዝቅያስ ናብ የሩሳሌም ሰደዶም። ደዪቦም ድማ ናብ የሩሳሌም መጹ፡ ደዪቦም ምስ መጹ ኸኣ፡ ኣብ ጥቓ እቲ ኣብ መገዲ ግራት ሓጾቦ ዘሎ መስኖ ላዕላይ ቀላይ ቈሙ። 18ንንጉስ ድማ ጸውዕዎ። ሽዑ ኤልያቂም ወዲ ሒልቂያ፡ ኣዛዝ ቤትን ሸብና ጸሓፍን ዮኣብ ወዲ ኣሳፍ ጸሓፍ ዛንታን ናባታቶም ወጹ። 19ራብሳቀ ድማ በሎም፡ ንህዝቅያስ ግዳ በልዎ፡ እቲ ዓብዪ ንጉስ፡ ንጉስ ኣሶር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እዚ ተኣሚንካዮ ዘሎኻ እሙንቶ እዚ እንታይ እዩ፧ 20ንስኻ፡ ንውግእ ምኽርን ሓይልን ኣሎኒ፡ ትብል ኣሎኻ፡ ግናኸ ዘረባ ኸናፍር ጥራይ እዩ። እቲ ዝዓሎኻንስ፡ ሕጂ ብመን ኣሚንካ ኢኻ፧ 21እንሆ፡ ሕጂ ብግብጺ በቲ ጭፍሉቕ በትሪ ሻምብቆ ንዝተመርኰሶ ሰብ ናብ ኢዱ ኣንኲሉ ዝኣቱ፡ ብእኡ ተኣሚንካ ኢኻ። ፈርኦን ንጉስ ግብጺ ንዝእመንዎ ዂሎም ከምኡ እዩ። 22ብእግዚኣብሄር ኣምላኽና ተኣሚንና ኣሎና፡ እንተ በልኩምኒ ድማ፡ ንሱ እቲ በረኽቱን መሰውኢታቱን ህዝቅያስ ዘግለሰሉን፡ ንይሁዳን ንየሩሳሌምን ከኣ፡ ኣብ ቅድሚ እዚ መሰውኢ እዚ ኣብ የሩሳሌም ስገዱ፡ ዝበለ ንሱዶ ኣይኰነን፧ 23ሕጂ ድማ ንጐይታይን ንጉስ ኣሶር ኰታ ተዋራረዶ እሞ፡ ንስኻ ዝውጥሕዎም ከተምጽእ እንተ ኽኢልካስ፡ ክልተ ሽሕ ፈረስ ክህበካ እየ። 24ከመይ ጌርካኸ ገጽ ሓደ ሓለቓ ኻብቶም ናእሽቱ ገላዉ ጐይታይ ክትመልስ ትኽእል፧ ስለ ሰረገላታትን ፈረሰኛታትን ኢልካ ድማስ ብግብጺ ትእመን ኣሎኻ። 25ብዘይ ፍቓድ እግዚኣብሄርዶ ነዛ ቦታ እዚኣ ኸጥፍኣ ኢለ ደዪበ፧ እግዚኣብሄር ደኣ፡ ነዛ ሃገር ደዪብካ ኣጥፍኣያ፡ ኢሉኒ እዩ።
26ሽዑ ኤልያቂም ወዲ ሒልቂያን ሸብናን ዮኣህን ንራብሳቀ፡ ንሕና ንሰምዖ ኢና እሞ፡ ንገላውኻ ብኣራማይስጢ ዀታ ተዛረበና፡ ግናኸ እዚ ኣብ መካበብያ ዘሎ ህዝቢ እናሰምዐ ብዘረባ ኣይሁድ ኣይትዛረበና፡ በልዎ። 27ራብሳቀ ግና፡ ጐይታይ እዚ ነገር እዚ ንጐይታኻን ንኣኻን ክነግረኩምዶ እዩ ዝለኣኸኒ፧ ናብቶም ኣብ መካበብያ ተቐሚጦም ዘለዉ እሞ፡ ምሳኻትኩም ከይኖም ሓርኦም ክበልዑን ሽንቶም ክሰትዩን ዘለዎም ሰባትዶ ኣይኰነን፧ በሎም።
28ሽዑ ራብሳቀ ደው ኢሉ ብዘረባ ኣይሁድ ከኣ ዓው ኢሉ ጨደረ፡ ከምዚ ኢሉ ድማ ተዛረበ፡ ዘረባ እቲ ዓብዪ ንጉስ፡ ናይቲ ንጉስ ኣሶር ስምዑ። 29እቲ ንጉስ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ህይዝቅያስ ካብ ኢደይ ከድሕነኩም ኣይኽእልን እዩ እሞ፡ ንሱ ኣየዓሹኹም። 30ህዝቅያስ ድማ፡ እግዚኣብሄር ብርግጽ ከድሕነና እዩ፡ እዛ ኸተማ እዚኣ ኸኣ ኣብ ኢድ ንጉስ ኣሶር ኣይትውሃብን እያ፡ ኢሉ ብእግዚኣብሄር ኣየእምንኩም። 31ንህዝቅያስ ኣይትስምዕዎ፡ እቲ ንጉስ ኣሶር ከምዚ ይብል ኣሎ እሞ፡ ምሳይ ተዓረቑ፡ ናባይ ውጹ፡ ነፍሲ ወከፍ ወይኑ ነፍሲ ወከፍ ድማ በለሱ ይብላዕ፡ ነፍሲ ወከፍ ከኣ ካብ ማይ ዔላኡ ይስተ። 32ምእንቲ ኽትነብሩ እምበር፡ ከይትሞቱስ፡ መጺአ ሃገርኩም ናብ እትመስል ሃገር፡ ናብ ሃገር እኽልን ኰልዒ ወይንን ናብ ሃገር እንጌራን ኣታኽልቲ ወይንን፡ ናብ ሃገር ዘይትን መዓርን ክሳዕ ዝወስደኩም፡ ንህዝቅያስ፡ እግዚኣብሄር ከድሕነና እዩ፡ እናበለ ኽጥብረኩም ከሎ፡ ኣይትስምዕዎ። 33ካብቶም ኣማልኽቲ ኣህዛብከ ሃገሩ ኻብ ኢድ ንጉስ ኣሶር ዘድሓነዶ ኣሎ፧ 34ኣማልኽቲ ሓማትን ኣርጳድን ኣበይ ኣለዉ፧ ኣማልኽቲ ሰፋርዋዪምን ናይ ሄናዕን ናይ ዒዋንከ ኣበይ ኣለዉ፧ ንሰማርያዶ ካብ ኢደይ ኣድሒኖምዋ እዮም፧ 35እግዚኣብሄር ንየሩሳሌም ካብ ኢደይ ከድሕናስ፡ ካብ ኲሎም ኣማልኽቲ ሃገራት ንሃገሮም ካብ ኢደይ ዘድሓኑ ኣየኖት እዮም፧
36እቲ ንጉስ፡ ኣይትምለሱሉ፡ ኢሉ ኣዚዙ ነበረ እሞ፡ እቶም ህዝቢ ስቕ በሉ፡ ገለ ቓል እኳ ኣይመለሱሉን። 37ኤልያቂም ወዲ ሒልቂያ፡ ኣዛዝ ቤትን ሸብና ጸሓፍን ዮኣህ ወዲ ኣሳፍ፡ ጸሓፍ ዛንታን ክዳውንቶም ቀዲዶም ናብ ህዝቅያስ መጹ እሞ ዘረባ ራብሳቀ ነገርዎ።
2ይ ነገስት ምዕራፍ 19
1ኰነ ድማ፡ ንጉስ ህዝቅያስ እዚ ምስ ሰምዐ፡ ክዳኑ ቐዲዱ፡ ከሊ ተኸዲኑ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣተወ። 2ንኤልያቂም ኣዛዝ ቤትን ንሸብና እቲ ጸሓፍን ካብ ካህናትውን ዓበይቲ ገይሩ፡ ከሊ ተኸዲኖም ናብ ነብዪ ኢሳይያስ ወዲ ኣሞጽ ሰደዶም። 3ንሳቶም ድማ በልዎ፡ ህዝቅያስ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እዛ መዓልቲ እዚኣ መዓልቲ ጸበባን ቅጽዓትን ነውርን እያ፡ ሕጻናት ናብ ምውላድ በጺሖም ነይሮም፡ ንምውላድ ግና ሓይሊ ተሳእነ። 4ምናልባሽ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዂሉ ዘረባ ራብሳቀ፡ እቲ ጐይታኡ ንጉስ ኣሶር ነቲ ህያው ኣምላኽ ክጸርፎ ኢሉ ዝለኣኾ ሰሚዕዎ እዩ እሞ፡ በቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝሰምዖ ዘረባ ክቐጽዖ እዩ። እምበኣርሲ ምእንቲ እዚ ገና ተሪፉ ዘሎ ትርፎፍያ ጸሎት ኣዕርግ። 5እቶም ገላዉ ንጉስ ህዝቅያስ ከኣ ናብ ኢሳይያስ መጹ። 6ኢሳይያስ ድማ በሎም፡ ንጐይታኹም ከምዚ በልዎ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ በቲ ገላዉ ንጉስ ኣሶር ክጸርፉኒ ዝሰማዕካዮም ቃላት ኣይትፍራህ። 7እንሆ፡ ኣነ መንፈስ ክህቦ እየ፡ ወረ ሰሚዑ ኸኣ ናብ ሃገሩ ኽምለስ እዩ፡ ኣብ ሃገሩ ድማ ብሴፍ ከውድቖ እየ።
8ራብሳቀ ኸኣ ተመልሰ፡ ንሱ እቲ ንጉስ ኣሶር ካብ ላኪሽ ከም ዝነቐለ ሰሚዑ ነበረ እሞ፡ ንሊብና ኽዋግኣ ኸሎ ረኸቦ። 9ንሱ ግና ብዛዕባ ቲርሃቃህ ንጉስ ኢትዮጵያ፡ እንሆ፡ ክወግኣካ ወጺኡ ኣሎ፡ ክብሉ ምስ ሰምዐ፡ መሊሱ ናብ ህዝቅያስ ከምዚ ኢሉ ልኡኻት ሰደደ፡ 10ንህዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ ኸምዚ በልዎ፡ እዚ ንስኻ እትእመኖ ዘሎኻ ኣምላኽካ፡ የሩሳሌምስ ኣብ ኢድ ንጉስ ኣሶር ኣይትውሃብን እያ፡ ኢሉ ኣየዓሹኻ። 11እቶም ነገስታት ኣሶር ንዂለን ሃገራት ዝገበርወን፡ ከመይ ገይሮም ከም ዘጥፍእወን፡ እንሆ፡ ሰሚዕካዮ ኣሎኻ፡ ንስኻኸ ትድሕንዶ፧ 12እቶም ኣማልኽቲ ኣህዛብሲ ነቶም ኣቦታተይ ዘጥፍእዎም፡ ንጐዛንን ንሓራንን ንሬጸፍን ነቶም ኣብ ተላሳር ዝነበሩ ደቂ ዔደንን ኣድሓንዎምዶ፧ 13ንጉስ ሓማትን ንጉስ ኣርጳድን ንጉስ ከተማ ሰፈርዋዪምን ናይ ሄናን ናይ ዒዋን ድማ ኣበይ ኣለዉ፧
14ህዝቅያስ ከኣ ነታ ደብዳበ ኻብ ኢድ እቶም ልኡኻት ተቐቢሉ ኣንበባ። ህዝቅያስ ከኣ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ደዪቡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዘርግሓ። 15ህዝቅያስ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከምዚ ኢሉ ጸለየ፡ ኣታ ኣብ ኪሩቤል እትቕመጥ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፡ እቲ ኣምላኽ ኲለን መንግስትታት ምድሪ ንስኻ በይንኻ ኢኻ፡ ንሰማይን ንምድርን ንስኻ ገበርካዮ። 16ዎ እግዚኣብሄር፡ ኣእዛንካ ኣድንን እሞ ስማዕ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ኣዒንትኻ ቓሕ ኣቢልካ ድማ ርአ። ነቲ ንህያው ኣምላኽ ክጸርፍ ኢሉ ዝለኣኾ ዘረባ ሰናክሪብ ከኣ ስምዓዮ። 17ኣታ እግዚኣብሄር፡ እቶም ነገስታት ኣሶር ነቶም ህዝብታትን ንሃገሮምን ከም ዘባደሙ ሓቂ እዩ። 18ንኣማልኽቶምውን ናብ ሓዊ ደርበይዎም። ንሳቶም ካብ ዕጨ እምኒ ብኢድ ሰብ ኣተገብሩ እዮም እምበር፡ ኣማልኽትስ ኣይኰኑን፡ ስለዚ ኣጥፍእዎም። 19ሕጂ ድማ፡ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽና፡ ኲለን መንግስትታት ምድሪ ንስኻ እግዚኣብሄር በይንኻ ኣምላኽ ከም ዝዀንካ ምእንቲ ኽፈልጣስ፡ ንልምነካ ኣሎና፡ ካብ ኢዱ ኣድሕነና።
20ሽዑ ኢሳይያስ ወዲ ኣሞጽ ናብ ህዝቅያስ ከምዚ ኢሉ ለኣኸ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ነቲ ብዛዕባ ሰናክሪብ ንጉስ ኣሶር ዝለመንካኒ፡ ሰሚዐዮ ኣሎኹ። 21እቲ እግዚኣብሄር ብዛዕባኡ እተዛረቦ ቓል እዚ እዩ፡
እታ ድንግል ጓል ጽዮን
ነዓቐትካን ኣባጨወትካን፡
እታ ጓል የሩሳሌም ድሕሬኻ ዀይና ርእሳ ነቕነቐትልካ።
22ዝጸረፍካዮን ዘላገጽካሉን ንመን ኢኻ፧
ድምጽኻ ዓው ዘበልካ፡
ኣዒንትኻውን ቋሕ ዘበልካሉ፡ናብ መን ኢኻ፧
ናብቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ኢኻ።
23ብልኡኻትካ ጌርካ ንጐይታ ኸምዚ ኢልካ ጸረፍካዮ፡
ኣነ ብብዝሒ ሰረገላይ
ናብ ርእሲ ኣኽራን፡
ናብ ማእከል ሊባኖስ ደየብኩ፡
ነቲ ነዋሕቲ ቄድሮሱን
ነቲ ሕሩይ ጽሕድታቱን ከኣ ቘረጽኩ፡
ናብቲ ዝረሓቐ መሕደሪኡ፡
ናብቲ ፈራዪ ዱር ድማ ኣቶኹ፡
24ኣነ ዂዒተ ጋሻ ማያት ሰቴኹ፡
ንዂሉ ርባታት ግብጺ ኸኣ
ብኸብዲ እግረይ ኣንቀጽክዎ።
25ነዚ ኻብ ጥንቲ ኸም ዝገበርክዎ፡
ካብ ቀደም ዘመን ድማ
ከም ዝፈጠርክዎዶ ኣይሰማዕካን ኢኻ፧
ሕጂ ንዕሩዳት ከተማታት
ኲምራ ዑናታት ጌርካ ኸተባድመን ኣምጻእኩኻ።
26ስለዚ እቶም ዝነብርወን ሓይሊ ሰኣኑ፡
ተሸበሩን ሓፈሩን።
ከም ሳዕሪ መሮርን
ከም ልምሉም ሓምልን
ከም ድርቃ ናሕስን
ከይሰወተ ኸም ዝሃጐጐ እኽልን ኰኑ።
27ኣነ ግና ምቕማጥካን ምውጻእካን ምእታውካን፡
ንኣይ ምዂራይካውን እፈልጥ ኣሎኹ።
28ስለ ዝዀሬኻለይ፡
ትዕቢትካውን ናብ ኣእዛነይ ስለ ዝደየበ፡
ሰንቀይ ኣብ ኣፍንጫኻ፡
ልጓመይውን ኣብ ከናፍርካ ኽገብረልካ እየ፡
በታ ዝመጻእካለይ መገዲ ድማ ክመልሰካ እየ።
29ንኣኻ ግና እዚ ምልክት ይኹንካ፡ በዛ ዓመት እዚኣ ባዕሉ ዝበቘለ፡ ብኻልኣይቲ ዓመት ከኣ ባልጋ ኽትበልዑ ኢኹም። በታ ሳልሰይቲ ዓመት ግና ክትዘርኡን ክትዓጽዱን፡ ወይኒ ተኺልኩም ድማ ፍሬኡ ኽትበልዑ ኢኹም። 30እቶም ካብ ቤት ይሁዳ ድሒኖም ዝተረፉ ድማ መሊሶም ንታሕቲ ሱር ክሰዱ ኣብ ላዕሊ ኸኣ ክፈርዩ እዮም። 31ካብ የሩሳሌም ተረፍ፡ ካብ ከረን ጽዮን ድማ ዝደሓነ ኽወጽእ እየ እሞ፡ ነዚ ከኣ ቅንኣት እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ክገብሮ እዩ። 32ስለዚ እግዚኣብሄር ብዛዕባ ንጉስ ኣሶር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ንሱ ነዛ ኸተማ እዚኣ ኣይኣተዋን እዩ፡ ኣብኣ ድማ ፍላጻ ኣይውርውርን፡ ዋልታውን ኣይምክተላን፡ ድልድል ከኣ ኣይዂምረላን። 33በታ ዝመጸላ መገዲ ይምለስ እምበር፡ ነዛ ኸተማ እዚኣስ ኣይኣትዋን እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር። 34ኣነ ድማ ነዛ ኸተማ እዚኣ ምእንታይን ምእንቲ ዳዊት ባርያይን ኢለ ኽከላኸለላን ከድሕናን እየ።
35ኰነ ድማ፡ በታ ለይቲ እቲኣ መልኣኽ እግዚኣብሄር ወጸ እሞ፡ ኣብ ሰፈር ኣሶራውያን ሚእትን ሰማንያን ሓሙሽተን ሽሕ ቀተለ። ንጽብሒቱ ኣንጊሆም ምስ ተንስኡ ኸኣ፡ እንሆ፡ ዂላቶም ምውታት ሬሳታት ኰይኖም ጸንሑ። 36ሽዑ ሰናክሪብ ንጉስ ኣሶር ተንሲኡ ኸደ፡ ተመሊሱ ድማ ኣብ ነነዌ ተቐመጠ። 37ኰነ ኸኣ፡ ንሱ ኣብ ቤት ኒስሮክ ኣምላኹ ኽሰግድ ከሎ፡ ደቁ ኣድራመለክን ሻሬጸርን ብሴፍ ቀተልዎ። ንሳቶም ድማ ናብ ሃገር ኣራራት ሃደሙ። ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ኤሳር-ሓዶን ነገሰ።
2ይ ነገስት ምዕራፍ 20
1በቲ ግዜ እቲ ህዝቅያስ ንሞት ሓመመ። ነብዪ ኢሳይያስ ወዲ ኣሞጽ ድማ ናብኡ መጺኡ በሎ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ንስኻ ትመውት እምበር፡ ኣይትሓውን ኢኻ እሞ፡ ቤትካ ኣስተናብር። 2-3ሽዑ ገጹ ናብ መንደቕ መሊሱ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ እልምነካ ኣሎኹ፡ ኣብ ቅድሜኻ ብሓቅን ብፍጹም ልብን ከም እተመላለስኩን፡ ኣብ ቅድሜኻ ኸኣ ጽቡቕ ከም ዝገበርኩን ዘክር፡ ኢሉ ናብ እግዚኣብሄር ጸለየ፡ ህዝቅያስ ብርቱዕ ብኽያትውን በኸየ። 4ኰነ ኸኣ፡ ኢሳይያስ ገና ናብ ማእከል እታ ኸተማ ኸይወጸ ኸሎ፡ ከምዚ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር መጾ፡ 5ተመለስ እሞ ንህዝቅያስ፡ ነቲ መስፍን ህዝበይ፡ በሎ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦኻ ዳዊት ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ጸሎትካ ሰሚዐ፡ ንብዓትካ ርኣየ፡ እኔኹ፡ ከሕውየካ እየ፡ በታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ክትድይብ ኢኻ። 6ኣብ ልዕሊ ዕድሜኻውን ዓሰርተው ሓሙሽተ ዓመት ወሲኸልካ ኣሎኹ፡ ንኣኻን ነዛ ኸተማ እዚኣን ከኣ ካብ ኢድ ንጉስ ኣሶር ከድሕነኩም እየ፡ ነዛ ኸተማ እዚኣ ምእንታይን ምእንቲ ዳዊት ባርያይን ኢለ ኽከላኸለላ እየ። 7ኢሳይያስ ድማ፡ ጐጎ በለስ ኣምጽኡለይ፡ በለ። ኣምጺኦም ከኣ ኣብቲ ቑስሊ ገበረሉ እሞ፡ ሓወየ። 8ህዝቅያስ ድማ ንኢሳይያስ፡ እግዚኣብሄር ከም ዘሕወየንን፡ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኸኣ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ከም ዝድይብከ፡ ምልክቱ እንታይ እዩ፧ በሎ። 9ኢሳይያስ ድማ፡ እግዚኣብሄርስ ነቲ እተዛረቦ ዘረባ ኸም ዝፍጽሞ፡ እቲ ኻብ እግዚኣብሄር ዝመጸ ምልክት እዚ እዩ፧ እዚ ጽላሎት ዓሰርተ ስጒሚ ንቕድሚትዶ ይኺድ ወይስ ዓሰርተ ስጒሚ ይመለስ፧ በለ። 10ህዝቅያስ ከኣ፡ ጽላሎት ዓሰርተ ስጒሚ ንቕድሚት ምኻድሲ ቐሊል እዩ፡ ኣይፋል፡ እቲ ጽላሎት ንድሕሪት ደኣ ዓሰርተ ስጒሚ ይመለስ፡ በለ። 11ነብዪ ኢሳይያስ ድማ ናብ እግዚኣብሄር ተማህለለ፡ ነቲ ጽላሎት ከኣ ኣብ ዓሰርተ ስጒሚ ንድሕሪት መለሶ።
12በቲ ግዜ እቲ በሮዳክ-ባላዳን ወዲ ባላዳን፡ ንጉስ ባቢሎን፡ ህዝቅያስ ከም ዝሓመመ ሰሚዑ ነበረ እሞ፡ ንህዝቅያስ ደብዳበን ገጽ በረኸትን ሰደደሉ። 13ህዝቅያስ ከኣ ሰምዖም፡ ብዘላ ቤት ናይቲ ኽቡር ኣቓሑኡ ብሩርን ወርቅን ጥዑም ጨናታትን ጽቡቕ ዘይትን ኲሉ ቤት ኣቓሑኡን ኣብ መዛግብቱ እተረኽበ ዂሉን ድማ ኣርኣዮም። ኣብ ቤቱ ዀነ ኣብ ብዘላ ግዝኣቱ ህዝቅያስ ዘየርኣዮም ነገር ኣይነበረን።
14ሽዑ ነብዪ ኢሳይያስ ናብ ንጉስ ህዝቅያስ መጺኡ፡ እዞም ሰባት እዚኣቶም እንታይ ኢሎምኻ፧ ካበይከ መጺኦምኻ፧ በሎ። ህዝቅያስ ድማ፡ ካብ ርሑቕ ሃገር፡ ካብ ባቢሎን ዝመጹ እዮም፡ በለ። 15ንሱ ኸኣ፡ ኣብ ቤትካኸ እንታይ ረኣዩ፧ በለ። ህዝቅያስ ድማ፡ ኣብ ቤተይ ዘሎ ዂሉ ርእዮምዎ፡ ኣብ መዛግብተይ ዘየርኣኽዎም ነገር የልቦን፡ በለ። 16ኢሳይያስ ድማ ንህዝቅያስ በሎ፡ ቃል እግዚኣብሄር ስማዕ፡ 17እዚ ኣብ ቤትካ ዘሎ ዂሉን፡ ኣቦታትካውን ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ዝደለብዎን ናብ ባቢሎን ዝውሰደሉ፡ እንሆ፡ መዓልትታት ይመጻ ኣለዋ፡ ገለ ነገር እኳ ኣይተርፍን፡ ይብል እግዚኣብሄር። 18ካብ ደቅኻ ድማ፡ ካብቶም ካባኻ ዝወጹ ካብቶም ዝወለድካዮም ክወስዱ እዮም፡ ኣብ ኣደራሽ ንጉስ ባቢሎን ከኣ ስሉባት ክዀኑ እዮም። 19ህዝቅያስ ድማ ንኢሳይያስ፡ እዚ እተዛረብካዮ ቓል እግዚኣብሄር ጽቡቕ እዩ፡ በሎ። ወሲኹ ኸኣ፡ ከምኡ ደይኰነን፧ ብዘመነይሲ ሰላምን ህድኣትን ደኣ እንተ ዝህሉ፡ በለ።
20እቲ ዝተረፈ ናይ ህዝቅያስ ነገርን ኲሉ ጅግንነቱን፡ ሓጽብን መስኖን ከም ዝገበረን፡ ናብ ከተማ ኸኣ ማይ ከም ዘእተወ፡ ንሱ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት ይሁዳዶ ተጽሒፉ ኣየሎን፧ 21ህዝቅያስ ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ። ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ምናሴ ነገሰ።
2ይ ነገስት ምዕራፍ 21
1ምናሴ ኽነግስ ከሎ ወዲ ዓሰርተው ክልተ ዓመት ነበረ፡ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ሓምሳን ሓሙሽተን ዓመት ገዝአ። ስም ኣዲኡ ድማ ሔፍጺባ እዩ። 2ንሱ ኸኣ፡ ከም ናይቶም እግዚኣብሄር ካብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ዝሰጐጎም ህዝብታት ዝበለ ጽያፍ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ። 3ንሱ ድማ ነቲ ኣቦኡ ህዝቅያስ ዘፍረሶ በረኽቲ መሊሱ ሰርሖ፡ ንበዓል ከኣ መሰውኢታት ኣቘመ፡ ከምቲ ኣከኣብ ንጉስ እስራኤል ዝገበሮ ድማ ኣስታርተ ገበረ፡ ንብዘለዉ ሰራዊት ሰማይ ከኣ ሰገደሎምን ኣገልገሎምን። 4ኣብታ እግዚኣብሄር ብዛዕባኣ፡ ስመይ ኣብ የሩሳሌም ከንብር እየ፡ ዝበለ፡ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር እኳ መሰውኢታት ሰርሐ። 5ንብዘለዉ ሰራዊት ሰማይ ድማ ኣብ ውሽጢ ኽልቲኡ ኣጸድ ቤት እግዚኣብሄር መሰውኢታት ሰርሓሎም። 6ንወዱ ኸኣ ብሓዊ ኣሕለፎ፡ ብደበናን ብተመንን ገይሩ ድማ ይጥንቁል ነበረ፡ መናፍስቲ ዝሓቱን መንፈስ ጥንቈላ ዘለዎምን ከኣ ገበረ። ምእንቲ ከዀርዮስ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ብዙሕ ክፋእ ገበረ። 7ነቲ ዝገበሮ ምስሊ ኣስታርተ ድማ ኣብታ ቤት ኣንበሮ። ብዛዕባ እታ ቤት ግና እግዚኣብሄር ንዳዊትን ንወዱ ሰሎሞንን በሎም፡ ኣብዛ ቤት እዚኣን ኣብዛ ኻብ ኲሎም ነገዳት እስራኤል ዝሓሬኽዋ የሩሳሌምን ስመይ ንዘለኣለም ከንብር እየ፡ 8ሓንትስ ከምቲ ዂሉ ዝኣዘዝክዎምን ከምቲ ባርያይ ሙሴ ዝኣዘዞም ኲሉ ሕግን ከኣ ንምግባሩ እንተ ተጠንቀቑሉ፡ ሽዑ ንእግሪ እስራኤል ከኣ ካብታ ነቦታቶም ዝሃብክዎም ምድሪ መሊሰ ኣየግዕዝን እየ። 9ንሳቶም ግና ኣይሰምዑን። ምናሴ ድማ ካብ ናይቶም እግዚኣብሄር ካብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ዘጥፍኦም ህዝብታት ዝኸፍአኽገብሩ ኣስሓቶም።
10ሽዑ እግዚኣብሄር ብባሮቱ ነብያት ገይሩ ኸምዚ ኢሉ ተዛረበ፡ 11ምናሴ ንጉስ ይሁዳ እዚ ጽያፋት እዚ ስለ ዝገበረን፡ ካብቲ እቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ኣሞራውያን ዝገበርዎ ዝኸፍእ ስለ ዝገበረን፡ ንይሁዳ ድማ ብጣኦታቱ ስለ ዘሕጥኦም፡ 12ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እንሆ፡ ንዝሰምዖ ዘበለ ኣብ ክልቲኤን እዝኑ ዱድ ክሳዕ ዝብሎ፡ ኣብ ልዕሊ የሩሳሌምን ይሁዳን ክፉእ ነገር ከምጽእ እየ። 13እቲ ገመድ ሰማርያን እቲ ሚዛን ቤት ኣከኣብን ድማ ኣብ ልዕሊ የሩሳሌም ክዝርግሖ እየ፡ ጻሕሊ ኸም ዝሕጸብ፡ ሓጺብካ ብኣፉ ኸም ኣትደፍኦ፡ ንየሩሳሌም ድማ ክሓጽባ እየ። 14ነቲ ተረፍ ርስተይ ከኣ ክጥንጥኖ እየ፡ ኣብ ኢድ ጸላእቶም ድማ ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ፡ ንሳቶም ከኣ ኣብ ኲሎም ጸላእቶም ንምርኮን ንምብዝባዝን ክዀኑ እዮም። 15እዚ ኸኣ ኣብ ቅድመይ ክፉእ ስለ ዝገበሩን፡ ካብታ ኣቦታቶም ካብ ግብጺ ዝወጹላ መዓልቲ ጀሚሮም ክሳዕ ሎሚ መዓልቲ ስለ ዝዀረዩንን እዩ። 16ምናሴ ድማ ብጀካ እቲ ሓጢኣቱ ብእኡ ንይሁዳ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ንምግባር ዘሕጥአ፡ ወሲኹ ኸኣ ክሳዕ ንየሩሳሌም ካብ ወሰን ክሳዕ ወሰን ዝመልኣ፡ ኣዝዩ ብዙሕ ንጹህ ደም ኣፍሰሰ።
17እቲ ዝተረፈ ናይ ምናሴ ነገርን ኲሉ ዝገበሮን ነቲ ዝገበሮ ሓጢኣትን፡ ንሱ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት ይሁዳዶ ተጽሒፉ ኣየሎን፧ 18ምናሴ ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ እሞ ኣብ ኣታኽልቲ ቤቱ ኣብ ኣታኽልቲ ዑዛ ተቐብረ። ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ኣሞን ነገሰ።
19ኣሞን ክነግስ ከሎ ወዲ ዕስራን ክልተን ዓመት ነበረ፡ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ክልተ ዓመት ገዝአ። ስም ኣዲኡ ድማ መሹለመት እዩ፡ ንሳ ጓል ሓሩጽ ብዓል ዮጣባ እያ። 20ንሱ ኸኣ፡ ከምቲ ኣቦኡ ምናሴ ዝገበሮ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ። 21በቲ ዂሉ ኣቦኡ ዝኸዶ መገዲ ድማ ኸደ፡ ነቶም ኣቦኡ ዘገልገሎም ጣኦታት ከኣ ኣገልገሎምን ሰገደሎምን። 22ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቱ ሓደጎ፡ በመገዲ እግዚኣብሄርውን ኣይከደን። 23ገላዉ ኣሞን ድማ ተማሓሓሉሉ እሞ ነቲ ንጉስ ኣብ ቤቱ ቐተልዎ። 24ህዝቢ እታ ሃገር ግና ነቶም ንንጉስ ኣሞን እተማሓሓሉሉ ዂሎም ቀተሎም። እቲ ህዝቢ እታ ሃገር ከኣ ኣብ ክንዳኡ ንወዱ ዮስያስ ኣንገሶ።
25እቲ ዝተረፈ ኣሞን ዝገበሮ ነገር ድማ፡ ንሱ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት ይሁዳዶ ተጽሒፉ ኣየሎን፧ 26ኣብ መቓብሩ ኣብ ኣታኽልቲ ዑዛ ድማ ተቐብረ። ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ዮስያስ ነገሰ።
2ይ ነገስት ምዕራፍ 22
1ዮስያስ ክነግስ ከሎ ወዲ ሾሞንተ ዓመት ነበረ፡ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ሰላሳን ሓደን ዓመት ገዝአ። ስም ኣዲኡ ድማ የዲዳ እዩ፡ ንሳ ጓል ዓዳይ ብዓል ቦጽቃት እያ። 2ንሱ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ገበረ፡ ብዂሉ መገዲ ኣቦኡ ዳዊት ከደ፡ ንየማን ኰነ ንጸጋም ኣየግለሰን።
3ኰነ ድማ፡ ንንጉስ ዮስያስ ኣብ መበል ዓሰርተው ሾሞንተ ዓመቱ እቲ ንጉስ ንሻፋን ጸሓፊ፡ ወዲ ኣጻልያ ወዲ መሹለም፡ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ከምዚ ኢሉ ለኣኾ፡ 4ናብቲ ሊቀ ኻህናት ናብ ሒልቂያ ደይብ እሞ ነቲ እቶም ሓለውቲ ደገ ኻብቲ ህዝቢ ዝኣከብዎ፡ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ከኣ ዝኣተወ ገንዘብ ክእክቦ ኣዝዞ። 5ነቶም ዕዮ ዘዕይዩ ዋናታት ቤት እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ኢዶም ይሃብዎም፡ ንሳቶም ከኣ ነቶም ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ነቲ ነቓዕ እታ ቤት ክጽግኑ ዝዓዩ ዓየይቲ፡ 6ንጸረብትን ንሃነጽትን ንነደቕትን፡ ንምጽጋን እታ ቤት ዝኸውን ኣእዋምን ውቑር እምንን ዝዕደገሉ ገንዘብ ይሃብዎም። 7ግናኸ ብእምነት እዮም ዝገብርዎ እሞ፡ ነቲ ኣብ ኢዶም እተዋህበ ገንዘብ ኣይጸባጸብዎም።
8ሊቀ ኻህናት ሒልቂያ ኸኣ ንሻፋን እቲ ጸሓፊ፡ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር መጽሓፍ ሕጊ ረኺበ፡ በሎ። ሒልቂያ ድማ እቲ መጽሓፍ ንሻፋን ሃቦ፡ ንሱ ኸኣ ኣንበቦ። 9ሻፋን እቲ ጸሓፊ ድማ ናብ ንጉስ ኣትዩ፡ እቶም ገላዉኻ ነቲ ኣብታ ቤት እተረኽበ ገንዘብ ገልቢጦም ነቶም ዕዮ ዘዕይዩ ዋናታት ቤት እግዚኣብሄር ኣብ ኢዶም ሃብዎም፡ ኢሉ ነቲ ንጉስ እቲ ነገር መለሰሉ። 10ሻፋን እቲ ጸሓፊ ድማ ንንጉስ፡ ሊቀ ኻህናት ሒልቂያ መጽሓፍ ሂቡኒ፡ ኢሉ ነገሮ። ሻፋን ከኣ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ኣንበቦ። 11ኰነ ድማ፡ እቲ ንጉስ ቃላት እቲ መጽሓፍ ሕጊ ምስ ሰምዐ፡ ክዳውንቱ ቐደደ። 12እቲ ንጉስ ከኣ ንኻህን ሒልቂያን ንኣሒቃም ወዲ ሻፋንን ንዓክቦር ወዲ ሚካያን ንሻፋን እቲ ጸሓፍን ንዓሳያ ጊልያ ንጉስን፡ 13ኣቦታትና ንቓላት እዚ መጽሓፍ እዚ ኸምቲ ዂሉ ንኣና እተጻሕፈ ኽገብርዎ ኢሎም ስለ ዘይሰምዕዎ፡ እቲ ኣባና ተቓጺሉ ዘሎ ዂራ እግዚኣብሄር ዓብዪ እዩ እሞ፡ ኪዱ ብናይ እዚ እተረኽበ መጽሓፍ እዚ ነገር ምእንታይን ምእንቲ ህዝብን ምእንቲ ዂሉ ይሁዳን ንእግዚኣብሄር ሕተትዎ፡ ኢሉ ኣዘዞም።
14ሽዑ ኻህን ሒልቂያን ኣሒቃምን ዓክቦርን ሻፋንን ዓሳያን ናብ ነብዪት ሑልዳ፡ ሰበይቲ ሻሎም ሓላው ክዳውንቲ፡ ከዱ፡ ንሱ ወዲ ጢቅዋ ወዲ ሓርሓስ እዩ። ንሳ ድማ ኣብ የሩሳሌምስ ኣብታ ኻልኣይቲ ኽፍሊ ትቕመጥ ነበረት። ንእኣ ድማ ተዛረብዋ። 15ንሳ ኸኣ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል ኣሎ፡ በለቶም፡ ነቲ ናባይ ዝለኣኸኩም ሰብኣይ በልዎ፡ 16እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኲሉ ቓላት እቲ መጽሓፍ፡ እቲ ንጉስ ይሁዳ ዘንበቦ፡ እንሆ፡ ናብዛ ቦታ እዚኣን ናብቶም ዝነብርዋ ዘለዉን እቲ ኽፉእ ከምጽኦ እየ። 17ብዂሉ ግብሪ ኣእዳዎም ምእንቲ ከቘጥዑንስ፡ ንኣይ ሓዲጎም ንኻልኦት ኣማልኽቲ ስለ ዝዓጠኑ፡ ናብዛ ቦታ እዚኣ ዂራይ ክቃጸል እዩ፡ ኣይጠፍእን ከኣ። 18ነቲ ንእግዚኣብሄር ክትሓቱ ኢሉ ዘለኣኸኩም ንጉስ ይሁዳ ግና ከምዚ በልዎ፡ ብዛዕባ እቲ ዝሰማዕካዮ ነገር እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል ኣሎ፡ 19ብዛዕባ እዛ ቦታ እዚኣን ብዛዕባ እቶም ዝነብርዋን ንመደነቕን ንመራገምን ክዀኑ እዮም ኢለ እተዛረብክዎም ምስ ሰማዕካ ልብኻ ስለ ዝለስለሰ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ድማ ትሕት ስለ ዝበልካ፡ ክዳንካ ቐዲድካ ኸኣ ኣብ ቅድመይ ስለ ዝበኸኻ፡ ኣነ ድማ ሰሚዐካ ኣሎኹ፡ ይብል እግዚኣብሄር። 20ስለዚ እንሆ፡ ናብ ኣቦታትካ ኽእክበካ እየ፡ ናብ መቓብርካ ኸኣ ብሰላም ክትእከብ ኢኻ፡ ነቲ ኣነ ናብዛ ቦታ እዚኣ ዘምጽኦ ዂሉ ኽፉእ ኣዒንትኻ ኣይርእያኦን እየን። ንሳቶም ድማ ነቲ ነገር ናብ ንጉስ መለስዎ።
2ይ ነገስት ምዕራፍ 23
1ሽዑ እቲ ንጉስ ልኡኻት ሰደደ፡ ንዅሎም ዓበይቲ ይሁዳን የሩሳሌምን ድማ ናብኡ ኣከብዎም። 2እቲ ንጉስን ምስኡ ኸኣ ኲሎም ሰብ ይሁዳን ኲሎም ኣብ የሩሳሌምን ዝነብሩን ካህናትን ነብያትን ብዘሎ ህዝቢ ድማ ካብ ንእሽቶ ኽሳዕ ዓብዪ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ደየቡ። ንዅሉ ቓላት እቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር እተረኽበ መጽሓፍ ኪዳን ኣንቢቡ ኣስምዖም። 3እቲ ንጉስ ድማ ኣብቲ ዓንዲ ደው ኢሉ፡ ብዂሉ ልቦምን ብዂሉ ነፍሶምን ደድሕሪ እግዚኣብሄር ክኸዱን ትእዛዛቱን ምስክራቱን ሕጋጋቱን ክሕልዉን፡ ነቲ ኣብዚ መጽሓፍ እዚ ተጽሒፉ ዘሎ ቓላት እዚ ኪዳን እዚ ኸኣ ከቑሙ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኪዳን ኣቘመ። ብዘሎ እቲ ህዝቢውን ኣብቲ ኪዳን ቈመ።
4እቲ ንጉስ ድማ ንሊቀ ኻህናት ሒልቂያን ነቶም ብትሕቲኡ ዘለዉ ኻህናትን ነቶም ሓለውቲ ደገን ነቲ ንበዓልን ንኣስታርተን ንብዘለው ሰራዊት ሰማይን ክኸውን እተሰርሐ ዂሉ ኣቓሑ ኻብ መቕደስ እግዚኣብሄር ከውጽእዎ ኣዘዞም፡ ኣብ ወጻኢ የሩሳሌም ኣብ ግርሁ ቄድሮን ከኣ ኣንደዶ፡ ነቲ ሓሙዂስቱውን ናብ ቤት-ኤል ወሰዶ። 5ነቶም ነገስታት ይሁዳ ኣብ ከተማታት ይሁዳን ኣብ ዙርያ የሩሳሌምን ኣብ ዘሎ በረኽቲ ኽዓጥኑ ዘሕደርዎም ካህናት ጣኦታትን ነቶም ንበዓልን ንጸሓይን ንወርሕን ንኸዋኽብትን ንብዘለው ሰራዊት ሰማይን ዝዓጥኑ ዝነበሩን ድማ ሰዓሮም። 6ንኣስታርተ ኸኣ ካብ ቤት እግዚኣብሄር ናብ ወጻኢ የሩሳሌም ናብ ርባ ቄድሮን ኣውጺኡ ኣብራባ ቄድሮን ኣንደዳ፡ ኣድኪሙ ኸኣ ደበቒቦቛ ገበራ፡ ነቲ ደበቑቦቛ ድማ ኣብቲ መቓብር ደቂ እቲ ህዝቢ ጐሓፎ። 7ነተን ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዝነበራ ኣባይቲ ኣመናዝር፡ ኣንስቲ ኣብአን ኰይነን ንኣስታርተ ዝኸውን መጋረጃ ዝኣልማ ዝነበራ ኸኣ ኣፍረሰ። 8ንዂሎም ካህናት ድማ ካብ ከተማታት ይሁዳ ኣውጽኦም፡ ነቲ እቶም ካህናት ዝዓጥኑሉ ዝነበሩ በረኽቲ ኸኣ ካብ ጌባዕ ጀሚሩ ኽሳዕ ብኤርሸባዕ ኣርከሶ፡ ነቲ ኣብ ደጌታት፡ ኣብ ኣፍ ደገ እያሱ መስፍን እታ ኸተማ ዝነበረ፡ ነቲ ብጸጋም ደገ እታ ኸተማ ዝነበረ በረኽቲ ኣፍረሶ። 9እቶም ናይ በረኽቲ ኻህናት ግና፡ ኣብ ማእከል ኣሕዋቶም ኰይኖም ደኣ ቕጫ ይበልዑ ነበሩ እምበር፡ ናብቲ መሰውኢ እግዚኣብሄር ኣብ የሩሳሌም ኣይድይቡን ነበሩ። 10ሰብ ወዱ ወይ ጓሉ ንሞሌኽ ኢሉ ብሓዊ ኸየሕልፍሲ፡ ነቲ ኣብ ለሰ ደቂ ህኖም ዝነበረ ቶፌት ኣርከሶ። 11እቶም ነገስታት ይሁዳ ንጸሓይ ዝወፈይዎም፡ ኣብቲ መእተዊ ቤት እግዚኣብሄር ኣብ ቀጽሪ መቕደስ ኣብታ ነታን-ሜላክ፡ እቲ ስሉብ ዝነብረላ ዝነበሩ ኣፍራስ ኣግለሶም። ነቲ ሰረገላታት ጸሓይውን ብሓዊ ኣንደዶ። 12ነቲ ኣብ ናሕሲ ኣደራሽ ኣሃዝ ዝነበረ፡ እቶም ነገስታት ይሁዳ ዝገበርዎ፡ መሰውኢታትን፡ ነቲ ምናሴ ኣብ ክልቲኡ ኣጸድ ቤት እግዚኣብሄር ዝገበሮ መሰውኢታትን ከኣ እቲ ንጉስ ኣፍረሶ። ካብኡ ቐልጢፉ ኸይዱ ድማ ነቲ ደበቑቦቛኡ ኣብ ርባ ቄድሮን ጐሓፎ። 13ነቲ ኣብ ቅድሚ የሩሳሌም ኣብ የማን ከረን ጥፍኣት ዝነበረ በረኽቲ ኸኣ፡ እቲ ሰሎሞን ንጉስ እስራኤል ንኣስታርተ ጽያፍ ሲዶናውያንን ንከሞሽ ጽያፍ ሞኣብን ንሚልኮም ጽያፍ ደቂ ዓሞንን ዝሰርሓሎም፡ እቲ ንጉስ ኣርከሶ። 14ነቲ ሓወልትታት ድማ ሰባበሮ፡ ንኣስታርቴታትውን ቈረጾ፡ ነቲ ቦታታቶም ከኣ ኣዕጽምቲ ሰብ መልአ። 15ድማ ነቲ ኣብ ቤት-ኤል ዝነበረ መሰውእን ነቲ የሮብዓም ወዲ ናባጥ፡ ንእስራኤል ዘሕጥአ፡ ዝሰርሖ በሪኽን ኣፍረሶ፡ ነቲ በሪኽ ከኣ ኣንደዶ፡ ኣድኪሙ ድማ ደበቑቦቛ ገበሮ፡ ንኣስታርተውን ኣንደዶ። 16ዮስያስ ግልጽ ምስ በለ ኸኣ፡ ነቲ ኣብኡ ኣብ ከረን ዝነበረ መቓብራት ረኣየ። ሽዑ ልኢኹ ነቲ ኣዕጽምቲ ኻብ መቓብራት ወሲዱ፡ ከምቲ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ እዚ ነገር እዚ ኽነግር ከሎ እተዛረቦ ቓል እግዚኣብሄር ኣብቲ መሰውኢ ኣንደዶ፡ ኣርከሶ ኸኣ። 17ንሱ ድማ፡ እዚ ዝርእዮ ዘሎኹ ሓወልቲኸ እንታይ እዩ፧ በለ። እቶም ሰብ እታ ኸተማ ኸኣ፡ እቲ ኻብ ይሁዳ ዝመጸ እሞ ብዛዕባ እዚ ዝገበርካዮ ነገር እዚ ንመሰውኢ ቤት-ኤል እተዛረቦ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ እዚ መቓብሩ እዩ፡ በልዎ። 18ንሱ ኸኣ፡ ሕደግዎ፡ ገለ እኳ ነዕጽምቱ ኣየነቓንቆ። ስለዚ እቲ ኣዕጽምቱ ምስ ኣዕጽምቲ እቲ ኻብ ሰማርያ ዝመጸ ነብዪ ተረፈ። 19ነተን ኣብ ከተማታት ሰማርያ ዝነበራ፡ ነገስታት እስራኤል ንእግዚኣብሄር ከዀርይዎ ኢሎም ዝሰርሕወን ኲለን ኣባይቲ በረኽቲ ድማ ዮስያስ ኣፍረሰን እሞ ከምቲ ኣብ ቤት-ኤል ዝገበሮ ዂሉ ግብርታት ገበረን። 20ነቶም ኣብኡ ዝነበሩ ዂሎም ናይ በረኽቲ ኻህናት ድማ ኣብቲ መሰውኢታት ሓረዶም፡ ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ኣዕጽምቲ ሰብ ኣንደደ። ናብ የሩሳሌም ድማ ተመልሰ።
21እቲ ንጉስ ከኣ ንብዘለዉ ህዝቢ፡ ከምቲ ኣብዚ መጽሓፍ ኪዳን እዚ ተጽሒፉ ዘሎ ጌርኩም ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ፋስጋ ኣብዕሉ ኢሉ ኣዘዞም። 22ካብቲ መሳፍንቲ ንእስራኤል ዝፈርዱሉ ዝነበሩ ዘመን ጀሚሩ ኸኣ፡ ብዘሎ ዘመን ነገስታት እስራኤልን ነገስታት ይሁዳን ከምዚ ዝበለ ፋስጋ ኣይተፈሰገን። 23እዚ ፋስጋ እዝስ ንንጉስ ዮስያስ ኣብ መበል ዓሰርተው ሾሞንተ ዓመቱ ደኣ ኣብ የሩሳሌም ንእግዚኣብሄር ተገብረ። 24ዮስያስ ድማ ቃላት እቲ ኣብቲ ኻህን ሒልቂያ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዝረኸቦ መጽሓፍ ተጽሒፉ ዘሎ ሕጊ ምእንቲ ከቕውም ኢሉ፡ ነቶም መናፍስቲ ዝሓቱን ንጠንቈልትን ንኣማልኽቲ ቤትን ንጣኦታትን ኲሉ እቲ ኣብ ሃገር ይሁዳን ኣብ የሩሳሌምን ንእተራእየ ጽያፋትን ኣንደዶ። 25ከምቲ ኩሉ ሕጊ ሙሴ ገይሩ ብኩሉ ልቡን ብዂሉ ነፍሱን ብዂሉ ሓይሉን ናብ እግዚኣብሄር እተመልሰ ንጉስ ከኣ ብቕድሚኡ ኸምኡ ዝበለ ኣይነበረን፡ ብድሕሪኡውን ከምኡ ዝበለ ኣይተንስአን። 26ግናኸ ብምኽንያት እቲ ምናሴ ብእኡ ዘዀረዮ ዂሉ መዀረዪ፡ እግዚኣብሄር ካብቲ ኣብ ይሁዳ ዝነደደ ንደት ዓብዪ ዂራኡ ኣይተመልሰን። 27እግዚኣብሄር ድማ፡ ከምቲ ንእስራኤል ዘግለስክዎ ንይሁዳውን ካብ ቅድሚ ገጸይ ከግልሶ እየ፡ ነዛ ዝሓሬኽዋ ኸተማ የሩሳሌም ነዛ፡ ስመይ ኣብኣ ክኸውን እዩ፡ ዝበልክዋ ቤትን ከኣ ክድርብየን እየ፡ በለ።
28እቲ ዝተረፈ ናይ ዮስያስ ነገርን ኲሉ ዝገበሮን፡ ንሱ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት ይሁዳዶ ተጽሒፉ ኣየሎን፧
29ብዘመኑ ፈርኦን ኔኮ ንጉስ ግብጺ ናብ ንጉስ ሶርያ ናብ ርባ ኤፍራጥስ ደየበ። ንጉስ ዮስያድ ድማ ክቃባበሎ ኸደ፡ ንሱ ኸኣ ምስ ረኣዮ፡ ኣብ መጊዶ ቐተሎ። 30ገላዉኡ ድማ ብምውቱ ኣብ ሰረገላ ገይሮም ካብ መጊዶ ናብ የሩሳሌም ኣምጽእዎ፡ ኣብ መቓብሩ ኸኣ ቀበርዎ። ህዝቢ እታ ሃገር ድማ ንዮኣሓዝ ወዲ ዮስያስ ወሲዶም ቀብእዎ፡ ኣብ ክንዲ ኣቦኡ ኸኣ ኣንገስዎ።
31ዮኣሓዝ ክነግስ ከሎ ወዲ ዕስራን ሰለስተን ዓመት ነበረ፡ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ሰለስተ ወርሒ ገዝአ። ስም ኣዲኡ ድማ ሓሙጣል እዩ፡ ንሳ ጓል ኤርምያስ ብዓል ሊብና እያ። 32ንሱ ኸኣ፡ ከምቲ ኣቦታቱ ዝገበርዎ ዂሉ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ። 33ፈርኦን ኔኮ ድማ ኣብ የሩሳሌም ከይነግስ ኢሉ ኣብ ሪብላ ምድሪ ሓማት ኣሰሮ። ነታ ሃገር ከኣ ሚእቲ ታለንት ብሩርን ሓደ ታለንት ወርቅን ፈሰስ ኣውደቐላ። 34ፈርኦን ኔኮ ድማ ንኤልያቂም ወዲ ዮስያስ ኣብ ክንዲ ኣቦኡ ዮስያስ ኣንገሶ፡ ስሙ ኸኣ ዮያቂም ኢሉ ለወጠሉ። ንዮኣሓዝ ግና ወሰዶ እሞ ናብ ግብጺ መጸ፡ ኣብኣ ድማ ሞተ። 35ዮያቂም ከኣ ንፈርኦን ብሩርን ወርቅን ሃቦ። ግናኸ ከምቲ ትእዛዝ ፈርኦን ገንዘብ ምእንቲ ኽህብሲ ነታ ሃገር ፈሰስ ኣውደቐላ። እቲ ብሩርን ወርቅን ንፈርኦን ኔኮ ምእንቲ ኽህብሲ፡ ንህዝቢ እታ ሃገር ነፍሲ ወከፍ ከም ስልዕቱ ኣኽፈሎ።
36ዮያቂም ክነግስ ከሎ ወዲ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ነበረ፡ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ዓሰርተው ሓደ ዓመት ገዝአ። ስም ኣዲኡ ኸኣ ዘቡዳ እዩ፡ ንሳ ጓል ጴዳያ ብዓል ሩማ እያ። 37ንሱ ኸኣ፡ ከምቲ ኣቦታቱ ዝገበርዎ ዂሉ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ።
2ይ ነገስት ምዕራፍ 24
1ብዘመኑ ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ደየበ እሞ፡ ዮያቂም ክሳዕ ሰለስተ ዓመት ተገዝኦ። ግናኸ መሊሱ ዓለዎ። 2እግዚኣብሄር ድማ ጭፍራታት ከለዳውያንን ጭፍራታት ሶርያውያንን ጭፍራታት ሞኣባውያንን ጭፍራታት ደቂ ዓሞንን ሰደደሉ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ብኣፍ ባሮቱ ነብያት እተዛረቦ ቓል ከኣ ምእንቲ ኸጥፍእዋ ናብ ይሁዳ ሰደዶም። 3-4እዚ ኸኣ ብሰሪ እቲ ምናሴ ዝገበሮ ዂሉ ሓጢኣትን ድማ ብሰሪ እቲ ንጹህ ደም ዘፍሰሶን፡ ንየሩሳሌም ከኣ ብንጹህ ደም ስለ ዝመልኣ፡ ንይሁዳ ኻብ ቅድሚ ገጹ ኸግልሳ ብትእዛዝ እግዚኣብሄር እዩ ዝዀነ። በዚ ኸኣ እግዚኣብሄር ይቕረ ኽብል ኣይፈተወን።
5እቲ ዝተረፈ ናይ ዮያቂም ነገርን እቲ ዝገበሮ ዂሉን ከኣ፡ ንሱ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት ይሁዳዶ ተጽሒፉ ኣየሎን፧ 6ዮያቂም ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ። ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ዮያኪን ነገሰ። 7ነቲ ናይ ንጉስ ግብጺ ዘበለ፡ ካብ ርባ ግብጺ ጀሚሩ ኽሳዕ ፈለግ ኤፍራጥስ፡ ንጉስ ባቢሎን ሒዝዎ ነበረ እሞ፡ ድሕርዚ እቲ ንጉስ ግብጺ ኻብ ሃገሩ መሊሱ ኣይወጸን።
8ዮያኪን ክነግስ ከሎ ወዲ ዓሰርተው ሾሞንተ ዓመት ነበረ፡ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ሰለስተ ወርሒ ገዝአ። ስም ኣዲኡ ነሑሽታ እዩ፡ ንሳ ጓል ኤልናታን ብዓል የሩሳሌም እያ። 9ንሱ ኸኣ ከምቲ ኣቦኡ ዝገበሮ ዂሉ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ።
10በቲ ግዜ እቲ ገላዉ ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ናብ የሩሳሌም ደየቡ፡ እታ ኸተማ ድማ ተኸበት። 11እቶም ገላዉኡ ኸቢቦምዋ ኸለው ኸኣ፡ ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ናብታ ኸተማ መጸ። 12ሽዑ ዮያኪን ንጉስ ይሁዳ፡ ንሱን ኣዲኡን ገላውኡን ሓላቑኡን ስሉባቱን ናብ ንጉስ ባቢሎን ወጹ፡ እቲ ንጉስ ባቢሎን ከኣ ብሳምነይቲ ዓመት መንግስቱ ሓዞ። 13ከምቲ እግዚኣብሄር እተዛረቦ ድማ፡ ንብዘሎ መዛግብቲ ቤት እግዚኣብሄርን መዛግብቲ ቤት ንጉስን ኣውጽአ፡ ነቲ ሰሎሞን ንጉስ እስራኤል ኣብ መቕደስ እግዚኣብሄር ዝገበሮ ዂሉ ኣቓሑ ወርቂ ኸኣ ሰባበሮ። 14ንብዘላ የሩሳሌምን ንዂሎም ሓላቑን ንዂሎም ሓያላት ጀጋኑን፡ ዓሰርተ ሽሕ ምሩኻት፡ ንዂሎም ጸረብትን ሰራሕቲ ሓጺንን ከኣ ማረኸ። ካብ ህዝቢ እታ ሃገር፡ ብዘይ እቶም ድኻታት፡ ገለ እዃ ኣይተረፈን። 15ንዮያኪን ድማ ናብ ባቢሎን ማረኾ፡ ነደ ንጉስን ነንስቲ ንጉስን ንስሉባቱን ንዓበይቲ እታ ሃገርን ከኣ ካብ የሩሳሌም ማሪኹ ናብ ባቢሎን ወሰዶም። 16ንዂሎም ሓያላት ሰባት ሾብዓተ ሽሕ ዝዀኑ፡ ጸረብትን ሰራሕቲ ሓጺንን ከኣ ሽሕ፡ ኲሎም ጀጋኑ ንውግእ ዝበቕዑ፡ እቲ ንጉስ ባቢሎን ማሪኹ ናብ ባቢሎን ኣእተዎም። 17እቲ ንጉስ ባቢሎን ድማ ንሓው ኣቦኡ ማታንያ ኣብ ክንዳኡ ኣንገሶ፡ ስሙ ኸኣ ጼዴቅያስ ኢሉ ለወጠሉ።
18ጼዴቅያስ ክነግስ ከሎ ወዲ ዕስራን ሓደን ዓመት ነበረ፡ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ዓሰርተው ሓደ ዓመት ገዝአ። ስም ኣዲኡ ድማ ሓሙጣል እዩ፡ ንሳ ጓል ኤርምያስ ብዓል ሊብና እያ። 19ንሱ ኸኣ ከምቲ ዮያቂም ዝገበሮ ዂሉ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ። 20እዚ ንየሩሳሌምን ንይሁዳን ካብ ቅድሚ ገጹ ኽሳዕ ዝድርብዮም ዝዀነ፡ ብምኽንያት ኲራ እግዚኣብሄር እዩ። ጼድቅያስ ድማ ካብ ንጉስ ባቢሎን ዓለወ።
2ይ ነገስት ምዕራፍ 25
1ኰነ ድማ፡ ብታስዐይቲ ዓመት መንግስቱ፡ በታ ዓስረይቲ ወርሒ፡ ካብታ ወርሒውን ብዓስረይቲ መዓልቲ፡ ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ምስ ኲሉ ሰራዊቱ ናብ የሩሳሌም መጺኡ ኸበባ። ብዙርያኣ ኸኣ ዕርዲ ነደቑላ። 2እታ ኸተማ ድማ ንጼድቅያስ ክሳዕ መበል ዓሰርተው ሓደ ዓመቱ ብመካበብያ ተዓጽወት። 3ካብታ ራብዐይቲ ወርሒ ኣብ ታስዐይቲ መዓልቲ ኣብታ ኸተማ ጥሜት በርትዐ፡ ህዝቢ እታ ሃገር ከኣ ንእንጌራ ኣይነበሮምን። 4ሽዑ ነታ ኸተማ ብሓደ ቦታ ኣፍረሱላ። እቶም ከለዳውያን ኣብ ዙርያ እታ ኸተማ ኸለዉ ድማ፡ እቲ ንጉስ ብመገዲ ጐልጐል ከደ። ኲሎም ሰብ ውግእ ብለይቲ በቲ ኣብ ጥቓ ኣታኽልቲ ንጉስ ዘሎ ኣብ መንጎ ኽልቲኡ መካበብያ ዘሎ ደገ፡ ብመገዲ እቲ ደገ ገይሮም ሃደሙ። 5እቶም ሰራዊት ከለዳውያን ግና ነቲ ንጉስ ደድሕሪኡ ስዒቦም ኣብ ጐልጐል ያሪኮ ኣርከብዎ፡ ብዘለዉ ሰራዊቱ ድማ ካብኡ ፋሕ በሉ። 6ሽዑ ነቲ ንጉስ ሒዞም ናብ ንጉስ ባቢሎን ናብ ሪብላ ኣደየብዎ፡ ፍርዲ ኸኣ ፈረድዎ። 7ንደቂ ጼድቅያስ ከኣ ኣዒንቱ ኣዖርዎ። ብኽልተ ሰንሰለት ኣስራዚ ኣሲሮም ድማ ናብ ባቢሎን ወሰድዎ።
8በታ ሓምሰይቲ ወርሒ፡ ካብታ ወርሒውን ብሳብዐይቲ መዓልቲ፡ ንነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ኣብ መበል ዓሰርተው ትሽዓተ ዓመቱ፡ ነቡዛራዳን ሓለቓ ዘብዐኛታት፡ ጊልያ ንጉስ ባቢሎን፡ ናብ የሩሳሌም መጺኡ፡ 9ንቤት እግዚኣብሄርን ንቤት ንጉስን ንዅለን ኣባይቲ የሩሳሌምን ተኰሰ፡ ንዂሉ ዓበይቲ ኣባይቲ ድማ ብሓዊ ተኰሰ። 10ምስቲ ሓለቓ ዘብዐኛታት ዝነበረ ብዘሎ ሰራዊት ከለዳውያን ንመካበብያታት የሩሳሌም ብዙርያኡ ኣፍረሶ። 11ነቡዛራዳን፡ እቲ ሓለቓ ዘብዐኛታት፡ ድማ ነቶም ኣብ ከተማ ተሪፎም ዝነበሩ ተረፍ ኣቲ ህዝብን ነቶም ሃዲሞም ናብ ንጉስ ባቢሎን እተጸግዑን ካብቲ ብዙሕ ህዝቢ ዝተረፉን ማረኽዎም። 12እቲ ሓለቓ ዘብዐኛታት ግና ካብቶም ድኻታት እታ ሃገር ኣታኽልቲ ወይኒ ኽዓዩን መሬት ክሓርሱን ኢሉ ሓደጎም።
13እቶም ከለዳውያን ድማ ነቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዝነበረ ኣዕኑድ ኣስራዝን ነቲ መቐመጢታትን ነቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዝነበረ ባሕሪ ኣስራዝን ሰባበርዎ፡ ነቲ ኣስራዚኡ ኸኣ ናብ ባቢሎን ወሰድዎ። 14ንድስትታትን መጽሓርያታትን ካራታትን ጽዋኣትን ነቲ ዘገልግሉሉ ዝነበሩ ዂሉ ኣቓሑ ኣስራዝን ወሰድዎ። 15እቲ ሓለቓ ዘብዐኛታት ከኣ ንጽንሃታትን ንጭሔሎታትን ናይ ወርቂ ኸም ወርቂ፡ ናይ ብሩር ከም ብሩር ገይሩ ወሰዶ። 16እቲ ሰሎሞን ንቤት እግዚኣብሄር ኢሉ ዝገበሮ ኽልተ ዓንድን ሓደ ባሕርን መቐመጢታትን ናይ እዚ ዂሉ ኣቓሑ ኣስራዚ ድማ ሚዛን ኣይነበሮን። 17ቁመት እቲ ሓደ ዓንዲ ዓሰርተው ሾሞንተ እመት ነበረ፡ ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ጒልላት ኣስራዚ ነበሮ፡ ቁመት እቲ ጒልላት ድማ ሰለስተ እመት ነበረ ነቲ ጒልላት ከኣ ብዙርያኡ ዓይነ ርግብን ሮማንን ነበሮ፡ እዚ ዂሉ ኻብ ኣስራዚ ነበረ። ነቲ ኻልኣይ ዓንዲ ድማ ምስ ዓይነ ርግቡ ኸምኡ ገበሮ።
18እቲ ሓለቓ ዘብዐኛታት ከኣ ንሊቀ ኻህናት ሰራያን ንጸፋንያስ እቲ ኻልኣይ ካህንን ንሰለስቲኦም ሓለውቲ ደገን ወሰዶም። 19ካብታ ኸተማ ድማ ሓደ ኣዛዝ ሰብ ውግእ ዝነበረ ስሉብን ካብቶም ገጽ ንጉስ ዝርእዩ ሓሙሽተ ሰባት ኣብታ ኸተማ እተረኽቡን ነቲ ጸሓፊ፡ እቲ ንህዝቢ እታ ሃገር ንወትሃደርነት ዝጽሕፍ ዝነበረ ሓለቓ ሰራዊትን ካብቶም ኣብታ ኸተማ እተረኽቡ ህዝቢ እታ ሃገር ከኣ ስሳ ሰባት ወሰደ። 20ነዚኣቶም ከኣ ነቡዛራዳን ሓለቓ ዘብዐኛታት ወሲዱ ናብ ንጉስ ባቢሎን ናብ ሪብላ ኣምጽኦም። 21እቲ ንጉስ ባቢሎን ድማ ኣብ ሪብላ ኣብ ምድሪ ሓማት ወቒዑ ቐተሎም። ይሁዳ ኸምዚ ኢሉ ኻብ ሃገሩ ተማረኸ።
22ነቲ ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ዘትረፎ፡ ኣብ ምድሪ ይሁዳ ዝተረፈ ህዝቢ ንኣታቶም ገዳልያ ወዲ ኣሒቃም፡ ወዲ ሻፋን፡ ሸመሎም። 23ኲሎም ሓላቑ ሰራዊታት፡ ንሳቶምን ሰቦምን፡ እስማኤል ወዲ ነታንያን ዮሓናን ወዲ ቃሬኣሕን ሰራያ ወዲ ታንሑመት እቲ ነጦፋውን ያኣዛንያ ወዲ እቲ ማዓካታውን፡ እዚኣቶምን ሰቦምን ንጉስ ባቢሎን ንገዳልያ ኸም ዝሸሞ ምስ ሰምዑ፡ ናብ ገዳልያ ናብ ሚጽጳ መጹ። 24ገዳልያ ድማ፡ ካብ ገላዉ ከለዳውያን ኣይትፍርሁ፡ ኣብዛ ሃገር ተቐመጡ፡ ንንጉስ ባቢሎን ከኣ ተገዝእዎ እሞ ጽቡቕ ነገር ክዀነልኩም እዩ፡ ኢሉ ንኣታቶምን ንሰቦምን መሓለሎም። 25በታ ሳብዐይቲ ወርሒ ግና ዀነ፡ እቲ ኻብ ዘርኢ ንጉስ ዝነበረ እስማኤል ወዲ ነታንያ፡ ወዲ ኤሊሻማ፡ ዓሰርተ ሰብ ድማ ምስኡ መጺኦም ንገዳልያ ቐተልዎ፡ ሞተ ኸኣ፡ ነቶም ምስኡ ኣብ ሚጽጳ ዝነበረ ኣይሁድን ከለዳውያንን ከኣ ቀተልዎም። 26እቶም ህዝቢ ብዘለዉ ድማ ካብ ንእሽቶ ኽሳዕ ዓብይን፡ እቶም ሓላቑ ሰራዊታትን ንከለዳውያን ፈሪሆም ነበሩ እሞ፡ ተንሲኦም ናብ ግብጺ ኸዱ።
27ኰነ ኸኣ ዮያኪን ንጉስ ይሁዳ ኻብ ዝማረኽ ኣብ መበል ሰላሳን ሾብዓተን ዓመቱ፡ ኣብ መበል ዓሰርተው ክልተ ወርሒ፡ ካብታ ወርሒ ድማ ኣብ መበል ዕስራን ሾብዓተን መዓልቲ፡ ኤዊል-መሮዳክ ንጉስ ባቢሎን በታ ዝነገሰላ ዓመት ንዮያኪን ንጉስ ይሁዳ ኻብ ቤት ማእሰርቲ ኣውጽኦ። 28ምስኡ ኸኣ ጥዑም ተዛረበ፡ ዝፋኑ ድማ ካብ ዝፋውንቲ እቶም ምስኡ ኣብ ባቢሎን ዝነበሩ ነገስታት ልዕል ኣበሎ። 29ነቲ ኽዳን ቤት ማእሰርቱውን ለወጠሉ፡ ብዂሉ ዘመን ህይወቱ ኸኣ ወርትግ ኣብ ቅድሚኡ እንጌራ ይበልዕ ነበረ። 30ነንመዓልቲ ዝቕለቦ ቐለብ ድማ ብዂሉ ዘመን ህይወቱ ወርትግ ካብ ንጉስ ተዋህቦ።