ትንቢት ናሆም
1 2 3
ትን.ናሆም ምዕራፍ 1
1ጾር ነነዌ። መጽሓፍ ራኣዩ ናሆም ኣልቆሻዊ።
2እግዚኣብሄር ቀናእን ፈዳይ ሕነን ኣምላኽ እዩ።እግዚኣብሄር ፈዳይ ሕነን ቍጥዓ ዝመልአን እዩ። እግዚኣብሄር ንተጻረርቱ ሕነ ይፈድዮም፡ ንጸላእቱ ኸኣ ይቕየሞም። 3እግዚኣብሄር ንዅራ ደንጓይን ብዓል ዓብዪ ሓይልን እዩ፡ ነቲ በዳሊ ከቶ ኸም ንጹህ ኣይቈጽሮን፡ እግዚኣብሄር ብሸምቦባን ብህቦብላን እዩ መገዱ፡ ደበና ኸኣ ተጐጓ ኣኣጋሩ እዩ። 4ነቲ ባሕሪ ይገንሖን የንቅጾን፡ ንዅሉ ርባታት የንጽፎ፡ ባሳንን ቀርሜሎስን ጸምለዉ፡ ዕምባባ ሊባኖስውን ጸምለወ። 5ኣኽራን ኣብ ቅድሚኡ የንቀጥቅጡ፡ ኵርባታት ከኣ ይመኩ፡ ምድርን ዓለምን ኣብኣ ዝነብሩ ዅላቶምን ኣብ ቅድሚኡ ይናወጹ። 6ኣብ ቅድሚ ዅራኡ ደው ዝብል መን እዩ፡ ኣብረስኒ ቝጥዓኡስ መን ይቐውም፡ ነድሩ ኸምሓዊ ይልሕም ነኻውሕውን ይጭንድሖ።
7እግዚኣብሄር ሰናይ እዩ፡ ብመዓልቲ ጸበባ ዕርዲ እዩ፡ ነቶም ኣብኡ እተማዕቈቡ ድማ ይፈልጦም እዩ። 8ንሱ ነቲ ቦታኣ ብዝድምስስ ውሒዝ ጥራስ ከጥፍኣ ኣዩ፡ ንጸላኣቱ ኸኣ ናብ ጸልማት ክሰጎም እዩ።
9ኣንጻር እግዚኣብሄር እንታይ ትሓስቡ፡ ንሱስ ብጥራስ ከጥፋኣ እዩ፡ ጸበባ ኻልኣይ ሳዕ ኣይክለዓልን እዩ። 10ምንም እኳ ኸም እሾዅ እንተ ተተናነጉ፡ ብወይኖምውን እንተ ሰኸሩ፡ ከም ንቑጽ ብርዒ ብጥራስ ሞዅ ክብሉ እዮም። 11እቲ ንእግዚኣብሄር እከይ ዝሓስበሉ፡ ሕሰም ከኣ ዝመኽረሉ፡ ካባኻ ወጸ። 12እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ምንም እኳ ሓያላትን ብዙሓት እንተ ዀኑ፡ ክዕጸዱ እዮም፡ ንሱውን ክጠፍእ እዩ። ኣነ ኣጨነቕኩኻ፡ ድሕሪ ደጊምሲ ኣይከጨንቐካን እየ። 13ሕጂ ድማ ኣርዑቱ ካባኻ ኽሰብር እየ፡ ንማእሰሪታትካ ኸኣ ክበታትኾ እየ። 14እግዚኣብሄር ድሕርዚ ኻብ ስምካ ኣይዘራእ፡ ኣነ ነቲ ቕሩጽ ምስልን ነቲ ፍሱስ ምስልን ካብ ቤት ኣማልኽትኻ ኸጥፍኦ እየ፡ እትነዓቕ ኢኻ እሞ፡መቓብር ክገብረልካ እየ፡ ኢሉ ብዛዕባኻ ኣዘዘ። 15እንሆ ኣእጋር እቲ ብስራት ዘበስር፡ ሰላም ከኣ ዘውሪ ኣብ ኣኽራን ኣለዋ። ደጊምሲ እቲ ሕሱም ኣብ ማእከልካ ኣይክሓልፍን ብጥራስ ከኣ ጸኒቱ እዩ እሞ፡ ዎ ይሁዳ፡ በዓላትካ ኣብዕል፡ መብጽዓኻ ፈጽም።
ትን.ናሆም ምዕራፍ 2
1-2ዘረፍቲ ስለ ዝዘረፍዎምን፡ ንሓረግ ወይኖም ስለ ዘብረስዎን፡ እግዚኣብሄር፡ ከምቲ ኽብረት እስራኤል፡ ንኽብረት ያእቆብ ክመልሶ እዩ እሞ፡ እቲ መብረሲ ይድይበካ ኣሎ፡ ነቲ ዕርዲ ሓልዎ፡ ነቲ መገዲ ኣማዕድዎ፡ ሕቜኻ ኣደልድሎ፡ ሓይልኻ ኣዚኻ ኣበርትዓዮ። 3እቲ ዋልታ ሓያላቱ ቑሔ፡ እቶም ተዋጋእቲ ሰብ ቀይሕ ተኸድኑ: በታ መዓልቲ ምድላው ሰረገላታቱ ኸም ሃልሃልታ ሓዊ እየን፡ እቲ ዛብያታት ይንብጥበጥ። 4እተን ሰረገላታት ኣብ መገዲ ብናህሪ ይኸዳ፡ ኣብ ኣደባባያት ይጋጨዋ፡ ትርኢተን ከም ሃልሃልታ እዩ፡ ከም መባርቕ ድማ ይጐያ። 5ንኸበርቴታቱ ይዝክር፡ ክኸዱ ኸለዉ ይዕንቀፉ፡ ናብ መካበብያኣ ኣቢሎም ይቕልጥፉ፡ መጸግዒ ድማ ተዳለወ። 6ደጌታት ወሓይዝ ይኽፈት፡ እቲ ኣደራሽ ከኣ ይመክኽ።
7ክዉን እዩ፡ ጥራያ ዀይና ተማረኸት፡ ኣግራዳ ድማ ኣፍ ልበን እናወቕዓ ብደሃይ ርግቢ ዋይዋይ ይብላ ኣለዋ። 8ነነዌ ኻብ ጥንቲ ጀሚራ ኸም ማይ ዝመልአ ሓጽቢ ነበረት፡ ግናኸ ሃደሙ። ደው በሉ፡ ደው በሉ፡ በልዎም፡ ግልብጥ ዝበለ ግና የልቦን። 9እቲ መዝገብ፡ ድልቢ እቲ በብዓይነቱ ዘሎ ኽቡር ኣቓሑ፡ ታእላው የብሉን እሞ፡ ብሩር ዝመቱ፡ ወርቂ ዝመቱ። 10ባዶን ጥራያን ኰነት፡ ባደመት፡ ልቢ መኸኸ፡ ኣብራኽ ከኣ ራዕራዕ በለ፡ ዅሉ ሕቘ ሓመመ፡ ገጽ ዅሎምውን ጸለመ።
11እቲ ሽደናት ዝበልዑሉ ኣንበሳን ዋዕሮን ኰራኵር ኣንበሳን ድማ መፍርሂ ዘይብሎም ኰይኖም ዝዛውኑሉ ቦታ ኣናብስ ኣበይ ኣሎ፡ 12ኣንበሳ ንዀራኵር ዝኣኽሎም ዘረፈ፡ ንዋዕሮታቱ ኸኣ ሓነቐለን፡ በዓትታቱ ብግዳዩ፡ ጐደጉዱ ኸኣ ብዝዘረፎ መልኦ። 13እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡እኔኹ ፡ ኣብ ልዕሌኺ እየ፡ ንዓረብያታት ኣንዲደ ኽትክኾ እየ። ነቶም ኰረኵር ኣናብስኪ ሰይፊ ኽወሕጦም እዩ፡ ንዝዘመትክዮ ካብ ምድሪ ኸጥፍኦ እየ፡ ድሕርዚ ድምጺ ልኡኻትኪ ኣይክስማዕን እዩ፡ ይብል ኣሎ።
ትን.ናሆም ምዕራፍ 3
1እታ ሓሶትን ዓመጽን ዝመልአት፡ ምዝራፍ ከኣ ዘይትሓድግ ከተማ ደም ወይለኣ። 2ደሃይ ሓለንግን ደሃይ እቲ ድዋዕዋዕ ዝብል መንኰራዅርን ጋልበት ኣፍራስን ዝጐያ ዓረብያታትን ይስማዕ። 3ጋልበት ፈረሰኛታትን ሃልሃልታ ሰይፍን መብረቕ ኵናትን ምብዛሕ ቅቱላትን ኵምራ ምዉታትን ቍጽሪ ዘይብሎም ሬሳታትን ኰነ፡ ብሬሳታቶም ድማ ይዕንቀፉ። 4እዚ ኸኣ ብሰሪ እቲ ብዝሒ ምንዝርና ናይታ ንህዝብታት ብምንዝርና፡ ንዓሌታት ከኣ ብጠንቈላ እትሸይጥ መልክዐኛ ኣመንዝራ፡ ፈላጥ ጠንቋሊት እዩ። 5እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እኔኹ ኣንጻርኪ እየ፡ ኣነ ንዘፈር ክዳንኪ ኣብ ልዕሊ ገጽኪ ክቐልዖ፡ ንህዝብታት ዕርቃንኪ፡ ንመንግስትታት ከኣ ነውርኺ ኸርእዮም እየ። 6ርኽሰት ኣባኺ ኽድርቢ፡ ንዕቕቲ ኽገብረኪ፡ መላገጺ ኽትኰኒውን ክውፍየኪ እየ። 7ክኸውን ድማ እዩ፡ ዝርእዩኺ ዘበሉ ዅላቶም ካባኺ ኽሃድሙ እሞ፡ ነነዌ ባደመት፡ መንከ ይበኽየላ፡ ዘጸናንዑኺ ኻበይ ክደልየልኪ እየ፡ ክብሉ እዮም። 8ንስኺዶ ኻብቲ ኣብ መንጎ ርባታት እተቐመጠት፡ ማያት ዝኸበበ፡ ቀጽራ ባሕሪ፡ መካባብያ ኸኣ ባሕሪ ዝዀነ ኖኣሞን ትበልጺ ኢኺ፡ 9ኢትዮጽያን ግብጽን መወዳእታ ዘይብሉ ሓይሊ ነበሩ፡ ፉጥን ሊብያን ሓገዘትኺ ነበሩ። 10ግናኸ ንሳ ተሰደትን ተማረኸትን፡ ሕጻናታ ድማ ኣብ ርእሲ ዅሉ መገድታት ተጨፍለቑ። ኣብቶም ክቡራት ሰባታ ኸኣ ዕጭ ኣውደቑ፡ ኵላቶም ዓበይቲ ሰባውን ብመቝሕ ተኣስሩ። 11ንስኺ ድማ ክትሰኽርን ክትሕብእን ኢኺ፡ ንስኺውን ኣብ ቅድሚ ጸላኢ ዕሩድ ቦታ ኽትደልዪ ኢኺ።
12ኵሉ ዕርድታትኪ ኸም በዅሪ ፍረ ዘለዎ ኣእዋም በለስ እዩ፡ ሰሰው እንተ ኣበልካያ፡ ኣብ ኣፍ እቲ በላዒ ይረግፍ። 13እንሆ ህዝብኺ ኣብ ማእከልኪ ኣንስቲ ዀኑ። እተን ደጌታት ሃገርኪ ንጸላእትኺ ኽፉታት እየን፡ ነቲ መሃርሃሪታትኪ ሓዊ በልዖ። 14ክትክበቢ ኢኺ እሞ፡ ማይ ቅድሒ፡ ዕርድኺ ኣጽንዒ፡ ኣብ ጭቃ እተዊ፡ መሬት ርገጺ፡ መስርሕ ጡብ ከኣ ኣጣጥኢ። 15ኣብኡ ሓዊ ኽበልዓኪ፡ ሰይፊ ኸጥፍኣኪ፡ ከም ኵብኵብታ ኽበልዓኪ እዩ። ከም ኵብኵብታ ብዝሒ፡ ከም ኣንበጣ ብዝሒ። 16ንነጋዶኺ ካብ ከዋኽብቲ ሰማይ ኣብዛሕክዮም። ኵብኵብታ ፋሕ ይብል፡ ነፊሩውን ይኸይድ። 17እቶም ዘውዲ ዝደፍኡ ኣባኺ ዘለዉ ኸም ኣንበጣ፡ እቶም ሓላቑኺ ድማ ከምቲ ብመዓልቲ ቝሪ ኣብ ሓጹር ዝሰፍር ጭፍራ ዅብኵብታ እዮም። ጸሓይ ምስ በረቐት፡ ይሃድሙ፡ ኣበይ ከም ዝነብሩ ቦታኦም ኣይፍለጥን እዩ። 18ዎ ንጉስ ኣሶር፡ ጓሶትካ ደቀሱ፡ እቶም ከበርቴታትካ ዓረፉ፡ ህዝብኻ ኣብ ኣኽራን ፋሕ በሉ፡ ዝእክቦም ድማ የልቦን። 19እከይካ ዅሉ ግዜ ብልዕሊኡ ዘይሓለፎ መን እዩ ፡ስለዚ ንቝስልኻ ፈውሲ የብሉን፡ መውቃዕትኻ ብርቱዕ እዩ፡ እቶም ወሬኻ ዝሰምዑ ዅላቶም ኣእዳዎም ኣጣቕዑልካ።