ኦሪት ዘጸኣት

1  2  3  4  5  6  7  8  9
10  11  12 13  14  15
16  17  18  19  20  21
22  23  24  25  26
27  28  29  30  31
32  33  34  35  36
37  38  39  40





         ዘጸኣት ምዕራፍ 1

   1እቶም ናብ ግብጺ ዝመጹ ደቂ እስራኤል ስሞም እዚ እዩ፡ ነፍሲ ወከፍ መምስ ቤተ ሰቡ ምስ ያእቆብ መጸ፡ 2ሮቤል፡ ስምኦን፡ ሌውን ይሁዳን፡ 3ይሳኮር፡ ዛብሎን፡ ብንያም ድማ፡ 4ዳንን ንፍታሌምን ጋድን ኣሴርን። 5ካብ ሕቘ ያእቆብ ዝወጹ ዅላቶም ሰብዓ ነፍሲ ነበሩ። ዮሴፍ ድማ ኣብ ግብጺ ነበረ። 6ዮሴፍን ኵሎም ኣሕዋቱን፡ እቲ ወለዶ ዅሉ ከኣ ሞቱ። 7ደቂ እስራኤል ተፋረዩ፡ ሰሰኑ፡ በዚሑ ድማ። ኣዝዮም ከኣ በርትዑ፡ እታ ሃገርውን ብእኦም መልአት።
   8ኣብ ግብጺ ኸኣ ንዮሴፍ ዘይፈልጥ ሓድሽ ንጉስ ተንስአ። 9ንሱ ድማ ንህዝቡ፡ እንሆ፡ ህዝቢ ደቂ እስራኤል ካባና በዚሑን በርትዑን፡ 10እምበኣርከ ኸይበዚሑ እሞ፡ ውግእ ምስ ዝለዓለና፡ ንሳቶም ድማ ምስ ጸላእትና ሓቢሮም ከይዋግኡና ኻብዛ ሃገርውን ከይወጹ፡ ንዑ ንጣበበሎም፡ በሎም። 11ብብርቱዕ ዕዮ ምእንቲ ኸጽብቡሎም ከኣ ኣዘዝቲ ሸመሎም። ንፈርኦን ድማ ጲቶምን ራዕምሴን ከተማታት ሪቕ ሰርሑሉ። 12ብመጠን እቲ ዘጽበቡሎም ግና ኽንዳኡ ሰሰኑ፡ ክንዳኡ ኸኣ ተዘርግሑ እሞ፡ ብደቂ እስራኤል ይጭነቑ ነበሩ። 13ግብጻውያን ንደቂ እስራኤል ብጭከና ኣዕየይዎም። 14ንህይወቶም ድማ ብብቱዕ ዕዮ፡ ብባዕጥን ብጡብን ብዅሉ ዕዮ መሮርን በቲ ዅሉ ዘዕይይዎም ዕዮ ብምጭካን ኣመረርዎም።
   15ንጉስ ግብጺ ድማ ነተን መሕረስቲ እብራውያን፡ እታ ሓንቲ ሺፍራ ዝስማ፡ እታ ኻልኣይቲ ኸኣ ጱዓ ዝስማ፡ ተዛረበን፡ 16ነተን ኣንስቲ እብራውያን ከተሕርሳአን ከሎኽን፡ ኣብቲ ዝሓርሳሉ ርኣያ፡ ወዲ እንተ ዀነ ቅተላኦ፡ ጓል እንተ ዀነት ግና ብህይወታ ትንበር። 17እተን መሕረስቲ ግና ንኣምላኽ ፈሪሀን፡ ነቶም እተወልዱ ብህይወት ሓደጋኦም እምበር፡ ከምቲ ንጉስ ግብጺ ዝበለን ኣይገበራን። 18ሽዑ ንጉስ ነተን መሕረስቲ ጸዊዑ፡ ነቶም እተወልዱ ብህይወት እትሓድጋኦምሲ፡ ስለምንታይ ከምዚ ገበርክን፧ በለን። 19እተን መሕረስቲ ኸኣ ንፈርኦን፡ እተን እብራውያን ከም ኣንስቲ ግብጻውያን ኣይኰናን። ንሳተን ሓያላት እየን እሞ፡ እታ መሕረሲት ከይመጸተን ሓሪሰን ይጸንሓ፡ በላኦ። 20ኣምላኽ ድማ ነተን መሕረስቲ ጽቡቕ ገበረለን። እቲ ህዝቢውን በዝሐ፡ ኣዝዪ ኸኣ በርትዐ። 21ኰነ ድማ፡ እተን መሕረስቲ ንኣምላኽ ስለ ዝፈርሃ፡ ኣባይቲ ገበረለን። 22ሽዑ ፈርኦን ንዅሉ ህዝቢ፡ እተወልደ ወዲ ዘበለ ናብ ርባ ደርብይዎ፡ ኵለን ኣዋልድ ግና ብህይወተን ሕደግወን፡ ኢሉ ኣዘዘ።

        ዘጸኣት  ምዕራፍ 2            

   1ሓደ ሰብኣይ ከኣ ካብ ቤት ሌዊ ኸይዱ ጓል ሌዊ ኣእተወ። 2እታ ሰበይቲ ድማ ጠነሰት፡ ወዲውን ወለደት። ንሱ ጽቡቕ ቈልዓ ምዃኑ ምስ ረኣየት ከኣ፡ ሰለስተ ወርሒ ሓብኣቶ። 3ደጊም ምሕባኡ ምስ ሰኣነት፡ ሳጹን ሻምብቆ ወሲዳ ብቕጥራንን ብዝፍትን ለቕለቐቶ፡ ነቲ ቘልዓ ናብኡ ኣእትያ ድማ፡ ኣብ ገምገም ርባ፡ ኣብ ሰልሰላ ኣንበረቶ። 4ሓብቱ ድማ እንታይ ከም ዝረኽቦ ኽትፈልጥ፡ ርሕቕ ኢላ ደው በለት። 5ጓል ፈርኦን ከኣ ክትሕጸብ ናብ ርባ ወረደት፡ እተን ኣግራዳ ድማ ገምገመገምገም እቲ ርባ ይዛወራ ነበራ። ኣብ ማእከል ሰልሰላ ሳጹን ረኣየት እሞ፡ ገረዳ ሰዲዳ ኣምጽኣቶ። 6ከፊታ ድማ ነቲ ሕጻን ረኣየቶ፡ እንሆ ኸኣ፡ እቲ ቘልዓ ይበኪ ነበረ። ደንጊጻትሉ ድማ፡ እዚ ኻብ ሕጻናት እብራውያን እዩ፡ በለት። 7ሽዑ እታ ሓብቱ ንጓል ፈርኦን፡ ካብተን እብራውያን ኣንስቲ ነዚ ሕጻንዚ እተጥብወልኪ መጉዚትዶ ኽጽውዓልኪ ክኸይድ፧ በለታ። 8ጓል ፈርኦን ከኣ፡ ኪዲ፡ በለታ። እታ ጓል ድማ ከደት፡ ነደ እቲ ሕጻን ከኣ ጸውዓታ። 9ጓል ፈርኦን ድማ፥ ነዚ ሕጻንዚ ወሲድኪ ኣጥብውለይ፡ ኣነ ኸኣ ዓስብኺ ኽህበኪ እየ፡ በለታ። እታ ሰበይቲ ድማ ነቲ ሕጻን ወሲዳ ኣጥበወቶ። 10እቲ ሕጻን ከኣ ዓበየ፡ ናብ ጓል ፈርኦንውን ኣምጽኣቶ። ወዳ ድማ ዀነ። ካብ ማይ ኣውጺአዮ እየ፡ ኢላ ስሙ ሙሴ ኣውጽኣትሉ።
   11ኰነ ድማ፡ በተን መዓልትታት እቲአን ሙሴ ምስ ዓበየ፡ ናብ እሕዋቱ ወጺኡ፡ ነቲ ብርቱዕ ጻዕሮም ረኣየ። ግብጻዊ ሰብኣይ ድማ ንእብራዊ ሰብኣይ፡ ካብቶም ኣሕዋቱ፡ ክወቕዖ ረኣየ። 12ናብዝን ናብትን ግልጽ ግልጽ ኢሉ፡ ሰብ ከም ዘየልቦ ምስ ረኣየ፡ ነቲ ግብጻዊ ቐቲሉ፡ ኣብ ሑጻ ሓብኦ። 13በታ ኻልኣይቲ መዓልቲ ድማ ወጸ፡ እንሆ፡ ክልተ እብራውያን ሰብኡት ክበኣሱ ረኣየ። ነቲ ዝዓመጸ፡ ከመይ ንብጻይካ እትወቕዖ፧ በሎ። 14ንሱ ድማ፡ መን መስፍንን ፈራድን ገይሩ ኣብ ልዕሌና ሸመካ፧ ንስኻ ነቲ ግብጻዊ ኸም ዝቐተልካዮ ኽትቀትለኒዶ ትደሊ ኣሎኻ፧ በለ። ሽዑ ሙሴ ፈርሀ፡ እዚ ነገርዚ ብርግጽ ተፈሊጡ እዩ፡ ድማ በለ። 15ፈርኦን ከኣ እዚ ነገርዚ ሰሚዑ ንሙሴ ክቐትሎ ደለየ። ሙሴ ግና ካብ ቅድሚ ፈርኦን ሃደመ፡ ኣብ ምድሪ ሚድያን ድማ ተቐመጠ፡ ኣብ ጥቓ ዔላ ኸኣ ኮፍ በለ።
   16ካህን ሚድያን ድማ ሾብዓተ ኣዋልድ ነበራኦ። ንሳተን መጺአን ነባጊዕ ኣቦአን ከስትያ፡ ማይ ቀዲሐን ነቲ ጋብላታት መልኣኦ። 17ጓሶት ድማ መጺኦም ሰጐጕወን፡ ሙሴ ግና ተንሲኡ ረድአን፡ ኣባጊዐን ድማ ኣስተየ። 18ናብ ኣቦአን ራጉኤል ምስ መጻ ኸኣ፡ ንሱ፡ ሎሚ ኸመይ ኢልክን ቀልጢፍክን መጺእክን፧ በለን። 19ንሳተን ድማ፡ ሓደ ግብጻዊ ሰብኣይ ካብ ኢድ እቶም ጓሶት ኣድሓነና፡ ማይ ቀዲሑ ኸኣ ነባጊዕና ኣስተየልና፡ በላኦ። 20ነዋልዱ ድማ፡ ኣበይ ደኣ ኣሎ፧ ስለምንታይከ ነቲ ሰብቲ ሓደግኽንኦ፧ እንጌራ ኽበልዕ ጸውዓኦ፡ በለን። 21ሙሴ ድማ ምስቲ ሰብኣይ ክነብር ፈተወ። ንሱ ኸኣ ጺጶራ ጓሉ ንሙሴ ሃቦ። 22ወዲ ድማ ወለደት እሞ፡ ኣነ ኣብ ምድሪ ጓና ስደተኛ እየ፡ ኢሉ ስሙ ጌርሾም ኣውጽኣሉ።
   23ኰነ ድማ፡ ድሕሪ ብዙሕ መዓልቲ ንጉስ ግብጺ ሞተ። ደቂ እስራኤል ከኣ ካብ ባርነቶም እተላዕለ እህህ በሉ፡ ጨርሑ ድማ። እቲ ኣውያቶም ብዛዕባ ባርነቶም ከኣ ናብ ኣምላኽ ደየበ። 24ኣምላኽ ድማ ቍዝማኦም ሰምዐ፡ ኣምላኽ ከኣ ነቲ ምስ ኣብርሃምን ምስ ይስሃቅን ምስ ያእቆብን ዝኣተዎ ኪዳን ዘከረ። 25ኣምላኽ ድማ ናብ ደቂ እስራኤል ረኣየ፡ ኣምላኽ ከኣ ህልዋቶም ፈለጠ።

        ዘጸኣት  ምዕራፍ 3            

   1ሙሴ ድማ ኣባጊዕ የትሮ ሓሙኡ፡ ካህን ሚድያን፡ ይጓሲ ነበረ። ነተን ኣባጊዕ እናኸብከበን ናብ ክንየው በረኻ፡ ናብ ሆሬብ ከረን ኣምላኽ፡ መጸ። 2መልኣኽ እግዚኣብሄር ከኣ ካብ ማእከል ኣሻዅ ቈጥቋጥ ብሃልሃልታ ሓዊ ተራእዮ። እንተ ጠመተ ድማ እንሃ፡ እታ ቘጥቋጥ ብሓዊ ትነድድ ነበረት፡ እታ ቘጥቋጥ ግና ኣይተበልዐትን። 3ሙሴ ኸኣ፡ እዚ ዓብዩ ትርኢት እዚ፡ እዛ ቘጥቋጥ ከመይ ኢላ ሞዅ ከም ዘይትብል ደኣ ኸይደ ኽርኢ፡ በለ። 4እግዚኣብሄር ድማ ክርኢ ኸም ዝቐረበ ምስ ረኣየ፡ ኣምላኽ ካብ ማእከል እታ ቘጥቋጥ፡ ሙሴ፡ ሙሴ፡ ኢሉ ጸውዖ። ንሱ ድማ፡ እኔኹ፡ በለ። 5ሽዑ ኸኣ፡ ናብዚ ኣይትቕረብ። እዛ ደው ኢልካላ ዘሎኻ ቦታ ቅድስቲ ምድሪ እያ እሞ፡ ኣሳእንካ ኻብ ኣእጋርካ ኣውጽእ፡ በለ። 6ድማ፡ ኣነ ኣምላኽ ኣቦኻ፡ ኣምላኽ ኣብርሃም፡ ኣምላኽ ይስሃቅ፡ ኣምላኽ ያእቆብ ከኣ እየ፡ በለ። ሙሴ ድማ ንኣምላኽ ከይጥምት ፈርሀ እሞ፡ ገጹ ኸደነ። 7እግዚኣብሄር ድማ፡ ጸበባ እቲ ኣብ ግብጺ ዘሎ ህዝበይ ፈሊጠ እየ እሞ፡ ስቓዮም ኣጸቢቐ ርአኹ፡ እቲ ብሰሪ መጨነቕቶም ዘእውይዎ ኸኣ ሰሚዐ ኣሎኹ። 8ስለዚ ኻብ ኢድ ግብጻውያን ከድሕኖም ወሪደ ኣሎኹ፡ ካብታ ምድሪ እቲኣ ናብታ ጽብቕትን ርሕብትን ጸባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ፡ ናብታ ቦታ ኸነኣናውያንን ሄታውያንን ኣሞራውያንን ፈረዛውያንን ሃዋውያንን ይቡሳውያንን ከደይቦም እየ። 9ሕጂ ድማ እንሆ፡ ኣውያት ደቂ እስራኤል ናባይ መጸ፡ እቲ ግብጻውያን ዘጥቅዕዎም ጥቕዓት ርአኹ። 10እምበኣር ሕጂ ንዓ፡ ንህዝበይ ደቂ እስራኤል ካብ ግብጺ ኸተውጽኦም፡ ናብ ፈርኦን ክልእከካ እየ፡ በለ። 11ሙሴ ድማ ንኣምላኽ፡ ናብ ፈርኦን ዝኸይድን ንደቂ እስራኤል ካብ ግብጺ ዘውጽእንከ፡ ኣነ መን እየ፧ በሎ። 12ኣምላኽ ከኣ፡ ኣነ ምሳኻ ክኸውን እየ እሞ፡ ኣነ ኸም ዝለኣኽኩኻ ድማ፡ እዚኣ ትእምርቲ ትኩንካ፡ ነቲ ህዝቢ ኻብ ግብጺ ምስ ኣውጻእካዮ፡ ኣብዚ ኸረን እዚ ንኣምላኽ ከተገልግሉ ኢኹም፡ በለ። 13ሙሴ ድማ ንኣምላኽ፡ እንሆ፡ ናብ ደቂ እስራኤል መጺአ፡ ኣምላኽ ኣቦታትኩም ናባኻትኩም ልኢኹኒ ምስ በልክዎም፡ ስሙ መን እዩ እንተ በሉንስ፡ እንታይ ክብሎም እየ፧ በሎ። 14ኣምላኽ፡ ከኣ ንሙሴ፡ እቲ ዘሎኹ እየ ዘሎኹ፡ በሎ። በለ ድማ፡ ንደቂ እስራኤል፡ እቲ ኣሎኹ ናባኻትኩም ለኣኸኒ፡ በሎም። 15ኣምላኽ ድማ ወሲኹ ንሙሴ በሎ፡ ንደቂ እስራኤል ከምዚ በሎም፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትኩም፡ ኣምላኽ ኣብርሃም፡ ኣምላኽ ይስሃቅ፡ ኣምላኽ ያእቆብ ከኣ ናባኻትኩም ለኣኸኒ። እዚ ንዘለኣለም ስመይ እዩ፡ ንውሉድ ወለዶ ኸኣ እዚ መዘከርታይ እዩ። 16ኪድ ንዓበይቲ እስራኤል ኣኪብካ በሎም፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትኩም፡ ኣምላኽ ኣብርሃም፡ ኣምላኽ ይስሃቅ፡ ኣምላኽ ያእቆብ ከኣ ተገልጸለይ፡ ከምዚ ኢሉ፡ ብርግጽ በጺሐኩም፡ እቲ ኣብ ግብጺ ዝገበሩኹም ድማ ርአኹ። 17ካብ ጸበባ ግብጺ ናብ ምድሪ ኸነኣናውያንን ሔታውያንን ኣሞራውያንን ፈረዛውያንን ሃዋውያንን ይቡሳውያንን፡ ጸባን መዓርን ናብ እተውሕዝ ምድሪ ኸደይበኩም እየ፡ ድማ በልኩ። 18ቃልካ ኸኣ ክሰምዑ እዮም። ንስኻን ዓበይቲ እስራኤልን ናብ ንጉስ ግብጺ ኣቲኹም፡ ከምዚ ትብልዎ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እብራውያን ተገልጸልና። ሕጂ ድማ በጃኻ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ኽንስውእ መገዲ ሰለስተ መዓልቲ ናብ በረኻ ኽንከይድ፡ በልዎ። 19ብሓያል ኢድ እንተ ዘይኰይኑ፡ ንጉስ ግብጺ ኽትከዱ ኸም ዘይሓድገኩም እፈልጥ ኣሎኹ። 20በቲ ኣብ ማእከላ ዝገብሮ ዅሉ ተኣምራተይ ከኣ ኢደይ ዘርጊሐ ንግብጺ ኽወቕዓ እየ። ድሕሪኡ ድማ ክሓድገኩም እዩ። 21ነዚህዝቢ እዚ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ግብጻውያን ሞገስ ክህቦ እየ። ክኸውን ድማ እዩ፡ ምስ እትኸዱ፡ ጥራይ ኢድኩም ኣይትኸዱን ኢኹም። 22ነፍሲ ወከፍ ሰበይቲ ኻብ ጐረቤታን፡ ካብታ ኣብ ቤታ እትነብርን ኣቕሓ ብሩርን ኣቕሓ ወርቅን፡ ክዳውንትን ትለምን። ነዚ ኣብ ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን ግበርዎ፡ ንግብጻውያን ከኣ ትገፍዎም።

        ዘጸኣት  ምዕራፍ 4            

   1ሙሴ ድማ፡ እንሆ፡ ንሳቶም፡ እግዚኣብሄር ኣይተራእየካን፡ ክብሉኒ እዮም እሞ፡ ኣይኣምኑንን፡ ቃለይውን ኣይሰምዑን እዮም፡ ኢሉ መለሰ። 2እግዚኣብሄር ድማ፡ እዛ ኣብ ኢድካ ዘላ እንታይ እያ፧ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ በትሪ፡ በለ። 3ንሱ ድማ፡ ናብ ምድሪ ደርብያ፡ በለ። ናብ ምድሪ ደርበያ፡ ተመን ከኣ ኰነት። ሙሴ ድማ ካብ ቅድሚኡ ሃደመ። 4እግዚኣብሄር ከኣ ንሙሴ፡ ኢድካ ዘርግሕ እሞ፡ ብዓለሊኡ ሓዞ፡ በሎ።ኢዱ ዘርጊሑውን ሓዞ፡ ኣብ ኢዱ ኸኣ በትሪ ዀነ። 5እዚ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም፡ ኣምላኽ ኣብርሃም፡ ኣምላኽ ይስሃቅ፡ ኣምላኽ ያእቆብ ከም እተራእየካ፡ ምእንቲ ኽኣምኑ እዩ። 6እግዚኣብሄር ድማ ወሲኹ፡ ኢድካ ናብ ትሽትሽካ ኣእቱ፡ በሎ። ናብ ትሽትሹ ኸኣ ኣእተዋ። ምስ ኣውጽኣ ድማ፡ እንሃ፡ ኢዱ ብለምጺ ኸም በረድ ጻዕድያ ነበረት። 7ኢድካ ናብ ትሽትሽካ ኣእቱ፡ ከኣ በለ። ኢዱ ናብ ትሽትሹ ኣእተወ። ካብ ትሽትሹ ምስ ኣውጽኣ ድማ፡ እንሃ፡ መሊሳ ኸምቲ ኻልእ ስጋኡ ዀነት። 8ክኸውን ድማ እዩ፡ እንተ ዘይኣመኑኻ፡ ንቓል እቲ ቐዳማይ ትእምርቲ እንተ ዘይሰምዑ፡ ንቓል እቲ ዳሕራይ ትእምርቲ ኽኣምኑ እዮም። 9ክኸውን ከኣ እዩ፡ ነዚ ኽልተ ትእምርቲ እዚ እንተ ዘይኣመኑ፡ ንቓልካውን እንተ ዘይሰምዑ፡ ካብቲ ርባ ማይ ውሰድ እሞ፡ ናብቲ ንቑጽ ክዓዎ። እቲ ኻብ ርባ ዝወሰድካዮ ማይ ከኣ ኣብቲ ንቑጽ ምድሪ ደም ክኸውን እዩ።
   10ሙሴ ድማ ንእግዚኣብሄር፡ ኣየ ጐይታይ፡ ኣነ ኣፈይ ወታእ፡ ልሳነይ ኰርታዕ እየ እሞ፡ ትማሊ ዀነ፡ ቅድሚ ትማሊ ዀነ፡ ሕጂ ንባርያኻ ምስ ተዛረብካኒውን፡ ኣነ ተዛራቢ ሰብ ኣይኰንኩን፡ በሎ። 11እግዚኣብሄር ድማ፡ ንሰብ ኣፍ ዝገበረሉ መን እዩ፧ ወይ ዓባስ ወይ ጸማም ወይ ዝርኢ ወይ ዕዉር ዝገበሮኸ መን እዩ፧ ኣነ እግዚኣብሄር ኣይኰንኩን፧ 12ሕጂ ኸኣ ኪድ፡ ኣነ ምስ ኣፍካ ዀይነ፡ እቲ እትዛረቦ ኸምህረካ እየ፡ በሎ። 13ንሱ ግና፡ በጃካ ጐይታይ፡ በቲ እትልእኮ ደኣ ልኣኽ፡ በሎ። 14ሽዑ ዅራ እግዚኣብሄር ብሙሴ ነደደ በሎ ኸኣ፡ ኣሮን ሓውካ፡ እቲ ሌዋዊዶ የሎን፧ ንሱ ጽቡቕ ተዛራቢ ምዃኑ እፈልጥ ኣሎኹ። እንሆ ኸኣ፡ ንሱ ክቕበለካ ይወጽእ ኣሎ፡ ምስ ረኣየካ ድማ ብልቡ ኽሕጐስ እዩ። 15ንስኻ ንእኡ ኽትዛረቦ ኢኻ፡ እቲ ቓላት ድማ ኣብ ኣፉ ኣንብር። ኣነ ኸኣ ምስ ኣፍካን ምስ ኣፉን ኰይነ እቲ እትገብርዎ ኽምህረኩም እየ። 16ክኸውን ከኣ እዩ፡ ንሱ ኣፍ ይዀነካ፡ ንስኻ ድማ ከም ኣምላኽ ትዀኖ፡ ንሱ ኣብ ክንዳኻ ንህዝቢ ይዛረብ። 17ነዛ በትሪ እዚኣ ኸኣ፡ እቲ ትእምርትታት ክትገብረላ፡ ኣብ ኢድካ ዉሰዳ።
   18ሙሴ ኸደ፡ ናብ ሓሙኡ የትሮ ተመሊሱ ኸኣ፡ ናብቶም ኣብ ግብጺ ዘለዉ ኣሕዋተይ ተመሊሰ፡ ገና ብህይወት እንተ ኣልዮም ደኣ ኽርኢ ክኸይድ፡ በሎ። የትሮ ኸኣ ንሙሴ ብሰላም ኪድ፡ በሎ። 19እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኣብ ሚድያን፡ እቶም ንነፍስኻ ዝደልይዋ ዝነበሩ ሰባት ኵሎም ሞይቶም ኢዮም እሞ፡ ኪድ ናብ ግብጺ ተመለስ፡ በሎ። 20ሙሴ ኸኣ ሰበይቱን ደቁን ወሲዱ ኣብ ኣድጊ ኣወጢሕዎም፡ ናብ ምድሪ ግብጺ ተመለሰ። ሙሴ ድማ ነታ በትሪ ኣምላኽ ኣብ ኢዱ ወሰዳ።
    21እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ በሎ፡ ናብ ግብጺ ኽትምለስ ኢልካ ኽትከይድ ከሎኻ፡ ነተን ክትገብረን ኣብ ኢድካ ዝሃብኩኻ ዅለን ተኣምራት ኣብ ቅድሚ ፈርኦን ክትገብረን ተጠንቀቕ። ኣነ ግና ልቡ ኸጽንዖ እየ፡ ንሱ ኸኣ ነቲ ህዝቢ ኣይሓድጎን። 22ንፈርኦን ድማ ክትብሎ ኢኻ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል፡ እስራኤል በዅሪ ወደይ እዩ፡ 23እሞ ንወደይ ከገልግለኒ ይኺድ ሕደጎ፡ ኢለካ ነበርኩ፡ ግናኸ ምሕዳጉ ኣቤኻ። እንሆ፡ ኣነ ንበዅሪ ወድኻ ክቐትል እየ።
   24ኰነ ድማ፡ ሙሴ ኣብ መገዲ ኣብ ሓደ መሕደሪ ኸሎ፡ እግዚኣብሄር ተራኸቦ፡ ክቐትሎውን ደለየ። 25ሽዑ ጺጶራ ጽልጽለ ወሲዳ፡ ዕልቦ ወዳ ገዘረት፡ ናብ ኣእጋሩ ደርብያቶ ኸኣ፡ ንስኻ ንኣይ ናይ ደም መርዓዊ ኢኻ፡ በለቶ። 26ካብኡ ኸኣ ኣልገሰ። ሽዑ ድማ፡ ብምኽንያት ግዝረት ናይ ደም መርዓዊ ኢኻ፡ በለት።
    27እግዚኣብሄር ከኣ ንኣሮን፡ ኪድ ንሙሴ ኣብ በረኻ ተቐበሎ፡ በሎ። ከይዱ ድማ ኣብ ከረን ኣምላኽ ተጓነፎ፡ ሰዓሞ ኸኣ። 28ሙሴ ድማ እቲ እግዚኣብሄር ብእኡ ዝለኣኾ ዅሉ ቃልን እቲ ዝኣዘዞ ዅሉ ትእምርትታትን ንኣሮን ነገሮ። 29ሙሴን ኣሮንን ከኣ ከይዶም ንዅሎም ዓበይቲ ደቂ እስራኤል ኣከቡ። 30ኣሮን ድማ እቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ እተዛረቦ ዅሉ ነገር ኣዛረቦም። እቲ ትእምርትታት ከኣ ኣብ ቅድሚ እቲ ህዝቢ ገበሮ። 31እቲ ህዝቢ ድማ ኣመነ። እግዚኣብሄር ንደቂ እስራኤል ከም ዝበጽሖም፡ ጸበባኦምውን ከም ዝረኣየ ምስ ሰምዑ፡ ፍግም ኢሎም ሰገዱ።

         ዘጸኣት  ምዕራፍ 5            

   1ድሕርዚ ድማ ሙሴን ኣሮንን ናብ ፈርኦን ኣትዮም በልዎ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል፡ ንህዝበይ ኣብ በረኻ በዓል ክገብሩለይ፡ ሕደጎም። 2ፈርኦን ድማ፡ እቲ ቓሉ ሰሚዐ ንእስራኤል ዝሓድግሲ፡ እግዚኣብሄር መን እዩ፧ ንእግዚኣብሄር ኣይፈልጥ፡ ንእስራኤል ከኣ ኣይሓድግ፡ በለ። 3ንሳቶም ድማ፡ ኣምላኽ እብራውያን ተራኺቡና እዩ እሞ፡ ፌራ ወይ ሴፍ ምእንቲ ኸየውርደልናስ፡ መገዲ ሰለስተ መዓልቲ ናብ በረኻ ኼድና ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ኽንስውኣሉ፡ በጃኻ ፍቐደልና፡ በልዎ። 4ንጉስ ግብጺ ኸኣ፡ ዎ ሙሴን ኣሮንን፡ ስለምንታይ ነዚህዝቢ ኻብ ዕዮኡ ተብኵርዎ ኣሎኹም፧ ናብ ዕዮኹም ኪዱ፡ በሎም። 5ፈርኦን ድማ፡ እንሆ፡ እዚህዝቢ ሕጂ ኣብዛ ሃገር በዚሑ እዩ። ካብ ዕዮኦም ከኣ ተዕርፍዎም ኣሎኹም፡ በለ።
   6ፈርኦን በታ መዓልቲ እቲኣ ነቶም ሓላቑ ህዝብን መዕየይቶምን ከምዚ ኢሉ ኣዘዞም፡ 7ደጊም ባዕላቶም ከይዶም ሓሰር ይኣክቡ እምበር፡ ነቶም ህዝቢ ኸም ቀደምኩም ንመስርሕ ጡብ ሓሰር ኣይትሃብዎም። 8ቍጽሪ ጡብ ድማ ከምቲ ቐደም ዝገብርዎ ዝነበሩ ኣግብርዎም፡ ካብኡ እኳ ኣይተጕድሉ። ሃካያት እዮም እሞ፡ ስለዚ፡ ንኣምላኽና ኽንስውእ ንኺድ፡ ኢሎም ይጠርዑ ኣለዉ። 9ነዞም ሰባት እዚኦም፡ ናብ ዘረባ ሓሶት ከየቕልቡ፡ ዕዮ ይኽበዶም፡ ንእኡ ድማ ይዕየዩ። 10ሽዑ እቶም ሓላቑ ህዝብን መዕየይቶምን ወጺኦም፡ ነቶም ህዝቢ በልዎም፡ ፈርኦን ከምዚ ይብል፡ ሓሰር ኣይህበኩምን እየ፡ 11ናብ እትረኽቡሉ ኼድኩም ባዕላትኩም ሓሰር ኣክቡ። ካብቲ ዕዮኹም ግና ገለ ኣይጕደል። 12እቲ ህዝቢ ኸኣ ኣብ ክንዲ ሓሰር ብርዒ ኽእክብ፡ ናብ ኵላ ምድሪ ግብጺ ፋሕ በለ። 13እቶም ሓላቑ ድማ፡ እቲ ነንመዓልቲ እተመደበ ዕዮ፡ ከምቲ ሓሰር ከሎኩም፡ ነንመዓቲ ምልኡ፡ ኢሎም ሃወኽዎም። 14ነቶም ካብ ደቂ እስራኤል መዕየይቲ ክዀኑ፡ ሓላቑ ፈርኦን ዝሸምዋም ድማ፡ እቲ እተመደበልኩም ዕዮ ጡብ ደኣ ትማልን ሎምንከ ኸመይ ከም ቀደምኩም ዘይመላእኩም፧ ኢሎም ገረፍዎም። 15እቶም መዕየይቲ ደቂ እስራኤል ከኣ ናብ ፈርኦን ከይዶም ጠርዑ፡ ስለምንታይ ንገላዉኻ ከምዚ ትገብረና ኣሎኻ፧ 16ንገላዉኻ ሓሰር ኣይህቡን፡ ጡብ ግበሩ ድማ ይብሉና። እንሆ ኸኣ፡ ገላዉኻ ተገርፉ፡ እዚ ግና ሓጢያት ህዝብኻ እዩ፡ በሉ። 17ንሱ ግና፡ ንስኻትኩም ሃካያት ኢኹም፡ ሃካያት ኢኹም። ስለዚ፡ ንእግዚኣብሄር ክንስውእ ንኺድ፡ ትብሉ ኣሎኹም። 18ሕጂ ድማ ኪዱ ዕየዩ። ሓሰር ኣይትወሃቡን፡ እቲ ምዱብ ቍጽሪ ጡብ ግና ክትህቡ ኢኹም።
   19ካብቲ ነናይ መዓልቲ ቝጽሪ ጡብ ኣይተጕድሉ፡ ምስ በልዎም፡ እቶም መዕየይቲ ደቂ እስራኤል ከም ዝገደዶም ረኣዩ። 20ካብ ፈርኦን ክወጹ ኸለዉ ድማ፡ ንሙሴን ንኣሮንን ተጓነፍዎም፡ ንሳቶም ክረኽብዎም ደው ኢሎም ነበሩ። 21በልዎም ድማ፡ ኣብ ቅድሚ ፈርኦንን ኣብ ቅድሚ ገላዉኡን ጨናና ኣኽፋእኩም፡ ንምቕታልና ኸኣ ሴፍ ኣብ ኢዶም ኣትሓዝኩምዋም። ስለዚ እግዚኣብሄር ይርአኹም፡ ይፍረድ ድማ። 22ሙሴ ኸኣ ናብ እግዚኣብሄር ተመሊሱ፡ ጐይታይ፡ ከመይ ነዚህዝቢ እዚ ኣኽፋእካሉ ስለምንታይከ ነዚ ለኣኽካኒ፧ ድማ በለ። 23ካብታ ናብ ፈርኦን ከይደ ብስምካ እተዛረብኩላ፡ ነዚህዝቢ እዚ ኣኽፍኣሉ ንህዝብኻ ድማ ከቶ ኣየድሓንካዮን፡ ከኣ በለ።

        ዘጸኣት  ምዕራፍ 6            

   1እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ እቲ ንፈርኦን ዝገብሮ ሕጂ ኽትርኢ ኢኻ፡ ብሓያል ኢድ ክሓድጎም እዩ፡ አረ ብሓያል ኢድ ካብ ሃገሩ ኽሰጎም እዩ፡ በሎ።
   2ኣምላኽ ድማ ንሙሴ ተዛረቦ፡ በሎ ኸኣ፡ ኣነ እግዚኣብሄር እየ፡ 3ንኣብርሃምን ንይስሃቅን ንያእቆብን ከምቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ተገለጽኩሎም፡ ብስመይ እግዚኣብሄር ግና ኣይተፈለጥኵሎምን። 4እታ ተስዲዶምዋ ዝነበሩ ምድሪ ስደቶም፡ ሃገር ከንኣን ክህቦም ምሳታቶም ኪዳነይ ኣቘምኩ። 5ኣነ ድማ ቍዝማ እቶም፡ ግብጻውያን ባሮት ዝገበርዎም፡ ደቂ እስራኤል ሰሚዐ፡ ኪዳነይ ዘከርኩ። 6ስለዚ ንደቂ እስራኤል በሎም፡ ኣነ እግዚኣብሄር እየ፡ ካብ ትሕቲ እቲ ኸቢድ ዕዮ ግብጻውያን ከውጽኣኩም እየ፡ ካብ ባርነቶም ከኣ ሓራ ኸውጽኣኩም እየ፡ ብዝርግሕቲ ቕልጽምን ብዓበይቲ ፍርድታትን ከድሕነኩም እየ። 7ህዝበይ ክትኰኑ ድማ እወስደኩም፡ ኣምላኽ ከኣ እዀነኩም። ካብ ትሕቲ እቲ ኸቢድ ዕዮ ግብጻውያን ዘውጽኣኩም ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከም ዝዀንኩ ድማ ክትፈልጡ ኢኹም። 8ናብታ ንኣብርሃምን ንይስሃቅን ንያእቆብን ክህቦም ኢደይ ዝዘርጋሕኩላ ምድሪ ኸኣ ከእትወኩም እየ፡ ንሳ ድማ ንርስቲ ኽህበኩም እየ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ። 9ሙሴ ኸኣ ንደቂ እስራኤል ከምኡ ነገሮም። ንሳቶም ግና ካብ ጸበባ ነፍሶምን ካብ ምብርታዕ ዕዮኦምን እተላዕለ ንሙሴ ኣይሰምዕዎን።
   10እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ከምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ 11ናብ ፈርኦን ንጉስ ግብጺ ኣቲኻ፡ ንደቂ እስራኤል ካብ ምድሩ ይውጽኡ ኽሓድጎም ተዛረቦ። 12ሙሴ ግና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፡ እንሆ ደቂ እስራኤል እኳ ዘይሰምዑንስ፡ ኣነ ግዳ ኸናፍረይ ዘይግዙር፡ ከመይ ገይሩ ፈርኦን ክሰምዓኒ፧ ኢሉ ተዛረቦ። 13እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ተዛረቦም፡ ንደቂ እስራኤል ካብ ምድሪ ግብጺ ኸውጽኡ፡ ናብ ደቂ እስራኤልን ናብ ፈርኦን ንጉስ ግብጽን ክኸዱ ኣዘዞም።
   14ሓላቑ ነናይ ቤት ኣቦታቶም እዚኣቶም እዮም፡ ደቂ ሮቤል በዅሪ እስራኤል፡ ሓኖክን ፋሉን፡ ሔጽሮንን ካርሚን። እዚኣቶም ዓሌታት ሮቤል እዮም። 15ደቂ ስምኦን ድማ፡ ይሙኤልን ያሚንን ኦሓድን ያኪንን ጾሓርን ሻውል ወዲ እታ ኸነኣናዊትን። እዚኣቶም ዓሌታት ስምኦን እዮም። 16ስም ደቂ ሌዊ ድማ በብወለዶኦም እዚ እዩ፡ ጌርሾንን ቀሃትን መራሪን። ዓመታት ህይወት ሌዊ ሚእትን ሰላሳን ሾብዓተን ዓመት እዩ፡ 17ደቂ ጌርሾን፡ ሊብኒን ሺምዒን በብማይ ቤቶም። 18ደቂ ቀሃት ድማ፡ ዓምራምን ይጽሃርን ሔብሮንን ዑዚኤልን። ዓመታት ህይወት ቀሃት ሚእትን ሰላሳን ሰለስተን ዓመት እዩ። 19ደቂ መራሪ ኸኣ፡ ማሕሊን ሙሺን። እዚኣቶም በብወለዶኦም ማይ ቤት ሌዊ እዮም። 20ኣምራም ከኣ ንዮካቤድ ኣሞኡ፡ ሰበይቱ ኽትኰኖ ወሰዳ እሞ ንኣሮንን ንሙሴን ወለደትሉ። ዓመታት ህይወት ኣምራም ድማ ሚእትን ሰላሳን ሾብዓተን ዓመት እዩ። 21ደቂ ይጽሃር ከኣ፡ ቆራሕን ኔፌግን ዚክሪን። 22ደቂ ዑዚኤልውን፡ ሚሻኤልን ኤልጻፋንን ሲትሪን። 23ኣሮን ድማ ንኤልሼባ ጓል ኣሚናዳብ፡ ሓብቲ ናሕሾን፡ ሰበይቱ ኽትኰኖ ወሰዳ። ንሳ ኸኣ ናዳብን ኣቢሁን ኣልኣዛርን ኢታማርን ወለደትሉ። 24ደቂ ቆራሕ ድማ፡ ኣሲርን ኤልቃናን ኣብያሳፍን። እዚኣቶም ማይ ቤት ቆራሓውያን እዮም። 25ኣልኣዛር ወዲ ኣሮን ድማ ሓንቲ ካብ ኣዋልድ ጱጢኤል ሰበይቱ ኽትኰኖ ወሰደ። ንሳ ኸኣ ንፊንሃስ ወለደትሉ። እዚኣቶም በብዓሌቶም ሓላቑ ኣቦታት ሌዋውያን እዮም። 26እቲ ኣሮንን እቲ ሙሴን፡ እግዚኣብሄር፡ ንደቂ እስራኤል በብሰራዊቶም ካብ ምድሪ ግብጺ ኣውጽእዎም፡ ዝበሎም፡ እዚኣቶም እዮም። 27እቶም ንደቂ እስራኤል ካብ ግብጺ ኸውጽእዎም፡ ምስ ፈርኦን ንጉስ ግብጺ እተዛረቡ፡ እቲ ሙሴን እቲ ኣሮንን እዚኣቶም እዮም።
   28ኰነ ኸኣ፡ በታ እግዚኣብሄር ንሙሴ ኣብ ምድሪ ግብጺ እተዛረበላ መዓልቲ፡ 29እግዚኣብሄር ንሙሴ ከምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ ኣነ እግዚኣብሄር እየ። እዚ ኣነ ዝዛረበካ ዅሉ፡ ንፈርኦን ንጉስ ግብጺ ተዛረቦ። 30ሙሴ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፡ እንሆ፡ ኣነ ኸናፍረይ ኣይተገዝረን፡ ከመይ ኢሉ ደኣ ፈርኦን ክሰምዓኒ፧ በለ።

        ዘጸኣት  ምዕራፍ 7           

   1እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ በሎ፡ ርአ፡ ኣነ ንፈርኦን ከም ኣምላኹ ገበርኩኻ፡ ኣሮን ሓውካ ድማ ነብዪ ይኹንካ። 2ንስኻ እቲ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ዅሉ ነገር፡ ኣሮን ሓውካ ኸኣ ንደቂ እስራኤል ካብ ምድሩ ይውጽኡ ኽሓድጎም፡ ንፈርኦን ይንገሮ። 3ኣነ ግና ንልቢ ፈርኦን ከጽንዖ እየ፡ ኣብ ምድሪ ግብጺ ድማ ትእምርትታተይን ተኣምራተይን ኸብዝሖ እየ። 4ፈርኦን ከኣ ኣይክሰምዓኩምን እዩ። ኣነ ኸኣ ኢደይ ኣብ ግብጺ ኸንብር እየ፡ ንሰራዊተይ፡ ንህዝበይ ደቂ እስራኤል፡ ካብ ምድሪ ግብጺ ብዓበይቲ ፍርድታት ከውጽኦም እየ። 5ግብጻውያን ድማ፡ ኢደይ ናብ ግብጺ ዘርጊሐ ንደቂ እስራኤል ካብ ማእከሎም ምስ ኣውጻእኩ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝዀንኩ፡ ክፈልጡ እዩም። 6ሙሴን ኣሮንን ድማ ከምኡ ገበሩ። ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞም ገበሩ። 7እቲ ምስ ፈርኦን ክዛረቡ ኸለዉ ኸኣ፡ ሙሴ ወዲ ሰማንያ ዓመት፡ ኣሮን ድማ ወዲ ሰማንያን ሰለስተን ዓመት ኰይኖም ነበሩ።
    8እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም፡ 9ፈርኦን፡ ተኣምራት ኣርእዩኒ፡ ኢሉ እንተ ተዛረበኩም፡ ንኣሮን፡ በትርኻ ወሲድካ ናብ ቅድሚ ፈርኦን ደርብያ እሞ፡ ተመን ክትከውን እያ፡ በሎ። 10ሙሴን ኣሮንን ከኣ ናብ ፈርኦን ኣተዉ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞም ድማ ከምኡ ገበሩ። ኣሮን ኣብ ቅድሚ ፈርኦንን ኣብ ቅድሚ ገላዉኡን በትሩ ደርበየ፡ ተመን ከኣ ዀነት። 11ፈርኦን ድማ ነቶም ጠቢባንን ሰረይትን ጸውዖም። ንሳቶም፡ እቶም ጠንቈልቲ ግብጺ፡ ብስራዮም ከምኡ ገበሩ። 12ነፍሲ ወከፎም በበትሮም ደርበዩ፡ ኣትማን ከኣ ዀና። በትሪ ኣሮን ግና ነተን ኣባትሮም ወሓጠተን። 13ልቢ ፈርኦን ድማ ተረረ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ኸኣ ንኣታቶም ኣይሰምዖምን።
   14እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ በሎ፡ ልቢ ፈርኦን ተረረ፡ ነቲ ህዝቢ ኸይሓድጎ ኣበየ። 15ጽባሕ ንግሆ ናብ ፈርኦን ኪድ። እንሆ፡ ናብ ማይ ክወጽእ እዩ እሞ፡ እታ ንተመን እተለወጠት በትሪ ኣብ ኢድካ ወሲድካ፡ ኣብ ገምገም ርባ ደው ኢልካ ተራኸቦ። 16በሎ ኸኣ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እብራውያን፡ ንህዝበይ ኣብ በረኻ ኸገልግሉኒ ሕደጎም፡ እንሆ ድማ፡ ክሳዕ ሕጂ ኣይሰማዕካን፡ ኢሉ ናባኻ ለኣኸኒ። 17እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል፡ ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝዀንኩ በዚ ኽትፈልጥ ኢኻ፡ እንሆ፡ ኣነ በዛ ኣብ ኢደይ ዘላ በትሪ ነቲ ኣብ ርባ ዘሎ ማይ ክወቕዖ እየ። ንሱ ድማ ናብ ደም ክልወጥ እዩ። 18እቲ ኣብ ርባ ዘሎ ዓሳውን ይመውት። እቲ ርባ ድማ ይጽይእ፡ ግብጻውያን ከኣ ካብቲ ርባ ማይ ምስታይ ይፍንፍኑ። 19እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ በሎ፡ ንኣሮን፡ በትርኻ ወሲድካ ናብ ልዕሊ ማያት ግብጺ፡ ናብ ልዕሊ ወሓይዞምን ናብ ልዕሊ ርባታቶምን ናብ ልዕሊ ቐላያቶምን ናብ ልዕሊ ዅሉ መዕቈር ማዮምን ኢድካ ዘርግሕ እሞ፡ ደም ክኸውን እዩ፡ ኣብ ኣቕሓ ዕጨይትን ኣብ ኣቕሓ እምንን ኣብ ኵሉ ምድሪ ግብጺ ደም ክኸውን እዩ በሎ። 20ሙሴን ኣሮንን ድማ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞም ከምኡ ገበሩ። ንሱ ኸኣ በትሩ ኣልዒሉ ኣብ ቅድሚ ፈርኦንን ኣብ ቅድሚ ገላዉኡን ነቲ ኣብ ርባ ዘሎ ማይ ወቕዖ። እቲ ኣብ ርባ ዘሎ ዅሉ ማይ ከኣ ናብ ደም ተለወጠ። 21እቲ ኣብ ርባ ዝነበረ ዓሳ ድማ ሞተ። እቲ ርባውን ጸይአ። ግብጻውያን ከኣ ካብቲ ርባ ማይ ክሰትዩ ኣይከኣሉን፡ ኣብ ኵላ ምድሪ ግብጺ ኸኣ ደም ኰነ። 22እቶም ጠንቈልቲ ግብጺ ድማ ብስራዮም ከምኡ ገበሩ። ልቢ ፈርኦን ከኣ ተረረ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ድማ ኣይሰምዖምን። 23ፈርኦን ነዚ እኳ ድማ ኣብ ልቡ ኣየእተዎን እሞ፡ ተመሊሱ ናብ ቤቱ ኣተወ። 24ነቲ ማይ ርባ ኽሰትይዎ ኣይከኣሉን እሞ፡ ኵላቶም ግብጻውያን ዝስተ ማይ ደልዮም፡ ኣብ ዙርያ እቲ ርባ ዀዓቱ። 25እግዚኣብሄር ነቲ ርባ ኻብ ዝወቕዖ ሾብዓተ መዓልቲ ኣኸለ።

        ዘጸኣት  ምዕራፍ 8            

1እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ በሎ፡ ናብ ፈርኦን ኬድካስ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል፡ ንህዝበይከገልግለኒ ይኺድ ሕደጎ። 2ንስኻ ምሕዳጉ እንተ ኣቤኻ ኸኣ፡ እንሆ፡ ኣነ ንዅላ ሃገርካ ብቝርዖብ ክወቖዓ እየ። 3እቲ ርባ ድማ ብቝርዖብ ፈለኽለኽ ክብል እዩ፡ ደይበን ከኣ ናብ ቤትካን ናብ ሕልፍኚ መደቀሲኻን ናብ ዓረትካን ናብ ቤት ገላዉኻን ናብ ህዝብኻን ናብ ኣታውንካን ናብ ገበራኻን ክኣትዋ እየን። 4ናባኻን ናብ ህዝብኻን ናብ ኵሎም ገላዉኻን ቍርዖብ ክድይባኹም እየን በሎ። 5እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ በሎ፡ ንኣሮን፡ ናብ ልዕሊ ወሓዝትን ናብ ርባታትን ናብ ቀላያትን ኢድካ ምስ በትርኻ ዘርግሕ እሞ፡ ናብ ልዕሊ ሃገር ግብጺ ቝርዖብ ኣደይብ በሎ። 6ኣሮን ከኣ ኢዱ ናብ ልዕሊ ማያት ግብጺ ዘርግሐ፡ እተን ቍርዖብ ድማ ደይበን ንምድሪ ግብጺ ኸደንኦ። 7እቶም ጠንቈልቲ ድማ ብስራዮም ከምኡ ገበሩ፡ ናብ ምድሪ ግብጺ ኸኣ ቍርዖብ ኣደየቡ።
   8ሽዑ ድማ ፈርኦን ንሙሴን ንኣሮንን ጸዊዑ፡ ካባይን ካብ ህዝበይን ቍርዖብ ከርሕቐለይ፡ ንእግዚኣብሄር ለምኑለይ። ኣነ ኸኣ ነቲ ህዝቢ ንእግዚኣብሄር ክስውእ ይኺድ ክሓድጎ እየ፡ በሎም። 9ሙሴ ንፈርኦን፡ እተን ቍርዖብ ካባኻን ካብ ኣባይትኻን ክጠፍኣ እሞ ኣብ ርባ ጥራይ ክተርፋስ፡ ምእንታኻን ምእንቲ ገላዉኻን ምእንቲ ህዝብኻን ንመኣዝ ከም ዝልምን፡ ብኽብረትካ ቝረጸለይ፡ በሎ። 10ንሱ ድማ፡ ንጽባሕ፡ በለ። እሞ፡ ከም እግዚኣብሄር ኣምላኽና ከም ዘየልቦ ምእንቲ ኽትፈልጥሲ፡ ከምቲ ዝበልካዮ ይኹን። 11እዘን ቍርዖብ ካባኻን ካብ ኣባይትኻን ካብ ገላዉኻን ካብ ህዝብኻን ክርሕቃ፡ ኣብ ርባ ጥራይ ክተርፋ እየን፡ በለ። 12ሙሴን ኣሮንን ከኣ ካብ ፈርኦን ወጹ። ሙሴ ድማ፡ ብዛዕባ እተን ናብ ፈርኦን ዘምጽአን ቍርዖብ፡ ናብ እግዚኣብሄር ተማህለለ። 13እግዚኣብሄር ድማ ከምቲ ሙሴ ዝበሎ ገበረ። እተን ቍርዖብ ከኣ ካብ ኣባይትን ካብ ደነብን ካብ መሮርን ሞታ። 14እናኣከቡ ዀመርወን፡ እታ ምድሪ ኸኣ በድበደት። 15ፈርኦን ግና፡ ዕረፍቲ ኸም ዝዀነ ምስ ረኣየ፡ ልቡ ኣትረረ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ኸኣ ኣይሰምዖን።
   16እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ በሎ፡ ንኣሮን፡ በትርኻ ዘርግሕ፡ ነቲ ደበቝቦቛ ምድሪ ውቕዓዮ፡ ኣብ ኵላ ምድሪ ግብጺ ድማ ጻጹት ክኸውን እዩ በሎ። 17ከምኡ፡ ኸኣ ገበረ። ኣሮን ኢዱ ምስ በትሩ ዘርጊሑ ነቲ ደበቝቦቛ ምድሪ ወቕዖ፡ ናብ ሰብን ናብ ማልን ድማ ጻጹት ኰነ። ኣብ ብዘላ ምድሪ ግብጺ ኸኣ ኵሉ ደበቝቦቛ ምድሪ ጻጹት ኰነ። 18እቶም ጠንቈልቲ ድማ ብስራዮም ጻጹት ከውጽኡ ኸምኡ ገበሩ፡ ግናኸ ኣይከኣሉን። ጻጹት ከኣ ኣብ ሰብን ኣብ ማልን ኰነ። 19እቶም ጠንቈልቲ ድማ ንፈርኦን፡ እዚኣ ኣጻብዕ ኣምላኽ እያ፡ በልዎ። ልቢ ፈርኦን ግና ተረረ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ኸኣ ኣሰምዖምን።
   20እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ በሎ፡ ጽባሕ ኣንጊህካ ተንስእ፡ ናብ ቅድሚ ፈርኦን ከኣ ደው በል። እንሆ፡ ናብ ማይ ይወጽእ ኣሎ እሞ በሎ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል፡ ንህዝበይከገልግለኒ ይኺድ ሕደጎ። 21ንህዝበይ እንተ ዘይሓደግካዮ ድማ፡ እንሆ፡ ናባኻን ናብ ገላዉኻን ናብ ህዝብኻን ናብ ኣባይትኻን ጽንጽያ ኸልቢ ኽሰድድ እየ። ኣባይቲ ግብጻውያንን እታ ዝነብሩላ ምድርን ከኣ ብጽንጽያ ኸልቢ ኸመልኣ እየን። 22በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ኣነ እግዚኣብሄር ኣብ ማእከል ምድሪ ምዃነይ ምእንቲ ኽትፈልጥ፡ ነታ ህዝበይዝነብረላ ምድሪ ጎሼን ጽንጽያ ኸልቢ ዘይብላ ገይረ ኽፈልያ እየ። 23ኣብ መንጎ ህዝበይን ኣብ መንጎ ህዝብኻን ምፍልላይ ክገብር እየ። እዚ ትእምርቲ እዚ ጽባሕ ክኸውን እዩ። 24እግዚኣብሄር ድማ ከምኡ ገበረ። ናብ ቤት ፈርኦንን ናብ ቤት ገላዉኡን ብዙሓት ዕስሌታት ጽንጽያ ኸልቢ መጹ። ኣብ ኵላ ሃገር ግብጺ ድማ እታ ምድሪ ብጽንጽያ ኸልቢ ተበላሸወት።
   25ሽዑ ፈርኦን ንሙሴን ንኣሮንን ጸዊዑ፡ ኪዱ ኣብዛ ሃገር ንኣምላኽኩም ሰውኡ፡ በሎም። 26ሙሴ ግና፡ እቲ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና እንስውኦ፡ ርኽሰት ግብጻውያን እዩ እሞ፡ ከምዚኽግበር ኣይቕኑዕን። እቲ ርኽሰት ግብጻውያን ዝዀነ ኣብ ቅድሚኦም እንተ ሰዋእናስ፡ ብዳርባ እምኒዶ ኣይቀትሉናን፧ 27ከምቲ ዝብለና ዘሎ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ኽንስውእሲ፡ መገዲ ሰለስተ መዓልቲ ናብ በረኻ ንኺድ፡ በለ። 28ፈርኦን ከኣ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣብ በረኻ ኽትስውኡሉ ኽሓድገኩም እየ። ምእንታይ ድማ ለምኑ፡ ኣርሒቕኩም ደኣ ኣይትኺዱ፡ በለ። 29ሙሴ ኸኣ፡ እንሆ፡ ኣነ ኻባኻ እወጽእ ኣሎኹ፡ ንእግዚኣብሄር ድማ ክልምን እየ። እቶም ጽንጽያ ኸልቢ ኸኣ ካብ ፈርኦን ካብ ገላዉኡን ካብ ህዝቡን ጽባሕ ክኸዱ እዮም። ፈርኦን ግዳ ነቲ ህዝቢ ንእግዚኣብሄር ክስውእ ምሕዳጉ ኸይኣቢ፡ መሊሱ ኣይጠብረና፡ በለ። 30ሙሴ ድማ ካብ ፈርኦን ወጸ፡ ንእግዚኣብሄር ከኣ ለመነ። 31እግዚኣብሄር ድማ ሙሴ ኸም ዝበሎ ገበረ። ነቶም ጽንጽያ ኸልቢ ኻብ ፈርኦንን ካብ ገላዉኡን ካብ ህዝቡን ሓደኳ ኸይተረፈ ኣርሓቖም። 32ፈርኦን በዛ ግዜ እዚኣ ድማ ልቡ ኣትረረ፡ ንህዝቢ ኸኣ ኣይሓደጎን።

        ዘጸኣት  ምዕራፍ 9            

   1እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ በሎ፡ ናብ ፈርኦን ኣቲኻ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እብራውያን ከምዚ ይብል፡ ኢልካ ተዛረቦ፡ ንህዝበይከገልግሉኒ ይኺዱ ሕደጎም። 2ንስኻ ግና ምሕዳጎም ኣቤኻ፡ ገና እንተ ሓዝካዮም፡ 3እንሆ፡ ኢድ እግዚኣብሄር መሮር ኣብ ዘለዋ ማልካ፡ ኣብ ኣፍራስ፡ ኣብ ኣእዱግ፡ ኣብ ኣግማል፡ ኣብ ኣሓን ኣብ ኣባጊዕን ብኣዝዩ ብርቱዕ ሕማም ክትከውን እያ። 4እግዚኣብሄር ድማ ኣብ መንጎ ማል እስራኤልን ኣብ መንጎ ማል ግብጻውያንን ምፍልላይ ክገብር እዩ፡ ካብ ኵለን ናይ ደቂ እስራኤል ገለኳ ኣይትመውትን። 5እግዚኣብሄር ድማ ከምዚ ኢሉ ግዜ ቆረጸ፡ እግዚኣብሄር ጽባሕ ኣብዛ ሃገር እዚኣ እዚ ነገርዚኽገብር እዩ። 6ንጽብሒቱ ኸኣ እግዚኣብሄር እዚ ነገርዚ ገበረ። ኵለን ማል ግብጺ ድማ ሞታ፡ ካብ ማል እስራኤል ግና ሓንቲ እኳ ኣይሞተትን። 7ፈርኦን ከኣ ለኣኸ፡ እንሆ፡ ካብ ማል እስራኤል ሓንቲ እኳ ኣይሞተትን። ልቢ ፈርኦን ግና ተረረ፡ ነቲ ህዝበይውን ኣይሓደጎን።
   8እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን፡ ሓመዅስቲ እቶን ኣእዳውኩም መሊእኩም ውሰዱ፡ ሙሴ ድማ ኣብ ቅድሚ ፈርኦን ናብ ሰማይ ኣቢሉ ፋሕ የብሎ። 9ኣብ ብዘላ ምድሪ ግብጺ ኸኣ ተጐጓ ክኸውን እዩ። ኣብ ኵላ ምድሪ ግብጺ ድማ ኣብ ሰብን ኣብ ማልን ፎቕፎቕ ዝብል ሕበጥ ክኸውን እዩ፡ በሎም። 10ሽዑ ሓመዅስቲ እቶን ወሲዶም ኣብ ቅድሚ ፈርኦን ደው በሉ። ሙሴ ኸኣ ናብ ሰማይ ኣቢሉ ፋሕ ኣበሎ። ኣብ ሰብን ኣብ ማልን ድማ ፎቕፎቕ ዝበለ ሕበጥ ኰነ። 11ኣብቶም ጠንቈልትን ኣብ ኵሎም ግብጻውያንን ሕበጥ ኰነ እሞ፡ እቶም ጠንቈልቲ ኸኣ በቲ ሕበጥ ምኽንያት ኣብ ቅድሚ ሙሴ ደው ክብሉ ኣይከኣሉን። 12ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝበሎ ድማ፡ እግዚኣብሄር ንልቢ ፈርኦን ኣትረሮ፡ እሞ ኣይሰምዖምን። 
   13እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ በሎ፡ ጽባሕ ኣንጊህካ ተንስእ፡ ኣብ ቅድሚ ፈርኦን ከኣ ደው በል እሞ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እብራውያን ከምዚ ይብል በሎ፡ ንህዝበይከገልግለኒ፡ ይኺድ ሕደጎም። 14ኣብ ኵላ ምድሪ ኸማይ ዝበለ ኸም ዘየልቦ ምእንቲ ኽትፈልጥ፡ በዛ ግዜ እዚኣ ድማ ኵሉ መዓተይ ናብ ልብኻን ናብ ገላዉኻን ናብ ህዝብኻን ክሰድድ እየ። 15ሕጂ ኸኣ ንስኻን ህዝብኻን ካብ ምድሪ ኽትጸንቱስ፡ ኢደይ ዘርጊሐ ብፌራ ምወቓዕኩኻ ነይረ። 16ግናኸ ሓይለይ ከርእየካ፡ ስመይ ድማ ኣብ ኵላ ምድሪ ምእንቲ ኽውረ፡ ብእኡ ምኽንያት ኣንበርኩኻ። 17ከይትሓድጎዶ ገና ኣብ ህዝበይ ትዕበ ኣሎኻ፧ 18እንሆ፡ ካብ እትስረት መዓልቲ ኽሳዕ ሕጂ ኸምኡ ዝበለ ኣብ ግብጺ ዘይኰነ፡ ጽባሕ ከምዛ ግዜ እዚኣ ኣዝዩ ብርቱዕ በረድ ከውርድ እየ። 19ኣብ መሮር ኣብ እተረኽበን ናብ ቤት ኣብ ዘይኣተወን ኵሉ ሰብን እንስሳን በረድ ክወርድ እዩ፡ ክሞቱ ኸኣ እዮም። ስለዚ ሕጂ ልኢኽካ ማልካን ኣብ መሮር ዘሎካ ኵሉን ኣክብ። 20ካብ ገላዉ ፈርኦን እቲ ንቓል እግዚኣብሄር ዝፈርሀ ዘበለ፡ ሰቡን ማሉን ናብ ኣባይቲ ኣህደመ። 21እቲ ልቡ ናብ ቃል እግዚኣብሄር ዘየቕለበ ድማ፡ ሰቡን ማሉን ኣብ መሮር ሓደገ።
   22እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኢድካ ናብ ሰማይ ኣቢልካ ዘርግሕ እሞ፡ ናብ ኵላ ምድሪ ግብጺ፡ ናብ ልዕሊ ሰብን ናብ ልዕሊ ማልን ናብ ልዕሊ ዅሉ ብቝሊ ግራሁ ኣብ ምድሪ ግብጽን በረድ ክወርድ እዩ፡ በሎ። 23ሙሴ ኸኣ በትሩ ናብ ሰማይ ዘርግሐ፡ እግዚኣብሄር ድማ ነጕድን በረድን ሰደደ፡ ሓዊ ኸኣ ናብ ምድሪ ወረደ። እግዚኣብሄር ድማ ናብ ምድሪ ግብጺ በረድ ኣዝነመ። 24በረድ ከኣ ዀነ፡ ኣብ ማእከል እቲ በረድ ድማ ሓዊ ይዋናጨፍ ነበረ። ሰብ ካብ ዝቕመጣ ኣብ ኵላ ምድሪ ግብጺ ከምዚዝበለ ዘይኰነ ኣዝዩ ብርቱዕ ነበረ። 25እቲ በረድ ከኣ ኣብ ብዘላ ምድሪ ግብጺ ኣብ መሮር ንዘሎ ዅሉ፡ ካብ ሰብ ክሳዕ እንስሳ ወቕዐ እቲ በረድ ድማ ንዅሉ ብቝሊ ግራት ወቕዐ፡ ንዅሉ ኣእዋም መሮርውን ሰባበሮ። 26ኣብታ ደቂ እስራኤል ዝነበርዋ ምድሪ ጎሼን ጥራይ በረድ ኣይነበረን። 
   27ፈርኦን ከኣ ልኢኹ ንሙሴን ንኣሮንን ጸዊዑ፡ ሕጂ ሓጣእኩ። እግዚኣብሄር ጻድቕ እዩ። ኣነን ህዝበይን ከኣ በደልቲ ኢና። 28ነጕዲ ኣምላኽን በረድን ክኣክልሲ፡ ንእግዚኣብሄር ለምኑ፡ ሽዑ ኽሓድገኩም እየ፡ ደጊም ድማ ኣብዚ ኣይትቘሙን፡ በሎም። 29ሙሴ ኸኣ፡ ካብ ከተማ ምስ ወጻእኩ፡ ኣእዳወይ ናብ እግዚኣብሄር ክዝርግሕ እየ። ምድሪ ናይ እግዚኣብሄር ምዃና ምእንቲ ኽትፈልጥ፡ ነጕዲ ይሓድግ፡ ደጊም ከኣ በረድ ኣይከውንን። 30ንስኻን ገላዉኻን ግዳ ገና ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ከም ዘይፈራህኩም እፈልጥ ኣሎኹ፡ በሎ። 31ስገም ሰዊቱ፡ እንጣጢዕ ከኣ ጕዕ ነበረ እሞ፡ እቲ ስገምን እንጣጢዕን ተወቕዐ። 32ስርናይን ስጴልትን ግና፡ ድሑር ዘርኢ እዩ እሞ፡ ኣይተወቕዐን። 33ሙሴ ድማ ካብ ፈርኦንን ካብ እታ ኸተማን ወጸ፡ ኣእዳዉ ኸኣ ናብ እግዚኣብሄር ዘርግሐ፡ ነጕድን በረድን ድማ ሓደገ፡ ዝናምውን ናብ ምድሪ ኣይዘነመን። 34ፈርኦን ከኣ ዝናምን በረድን ነጕድን ከም ዝሓደገ ምስ ረኣየ፡ ሓጢያት ወሰኸ፡ ንሱን ገላዉኡን ድማ፡ ልቡ ኣትረረ። 35እሞ ኸምቲ እግዚኣብሄር ብሙሴ ዝበሎ፡ ልቢ ፈርኦን ተረረ፡ ንደቂ እስራኤል ከኣ ኣይሓደጎምን።

        ዘጸኣት  ምዕራፍ 10            

   1-2እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ እዚ ትእምርትታተይ እዚ ምእንቲ ኣብ ማእከሎም ክገብር፡ እቲ ኣብ ግብጻውያን ዝዓየኽዎ ነገርን፡ እቲ ኣብ ማእከሎም ዝገበርክዎ ትእምርትታተይን ኣብ ኣእዛን ወድኻን ወዲ ወድኻን ምእንቲ ኽትነግሮ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ከኣ ክትፈልጡስ፡ ኣነ ንልቡን ንልቢ ገላዉኡን ኣትሪረ እየ እሞ፡ ናብ ፍርኦን እቶ። 3ሙሴን ኣሮንን ድማ ናብ ፈርኦን ኣትዮም በልዎ፡ እግዚኣብሄር፡ ኣምላኽ እብራውያን፡ ከምዚ ይብል፡ ክሳዕ መኣዝ ኢኻ ኣብ ቅድመይ ከይትተሓት እትኣቢ፧ ንህዝበይከገልግለኒ ሕደጎም። 4ንስኻ ንህዝበይ ምሕዳጉ እንተ ኣቤኻ ግና፡ እንሆ፡ ጽባሕ ናብ ምድርኻ ኣንበጣ ኸምጽእ እየ። 5ንምድሪ ኸኣ ክኸድና እዩ፡ ገጽ ምድሪ እኳ ኽርእዩ ኣይክእሉን። ነቲ ኻብ በረድ ድሒኑ ዝተረፈልኩም ትርፊ ድማ ክበልዖ እዩ። ነተን ኣብ መሮር ዝዓብያልኩም ኵለን ኣእዋም ከኣ ኽበልዐን እዩ። 6ኣባይትኻን ኣባይቲ ዅሎም ገላዉኻን ኣባይቲ ዅሎም ግብጻውያንን ክመልእ እዩ። ከምኡ ዝበለ ኣቦታትካን ኣቦታት ኣቦታትካን ኣብ ምድሪ ኻብ እተፈጥሩላ መዓልቲ ጀሚሮም ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ኣይረኣዩን። ተመሊሱ ኸኣ ካብ ፈርኦን ወጸ። 
   7ንፈርኦን ድማ ገላዉኡ፡ ክሳዕ መኣዝከ እዚ ሰብኣይዚ መፈንጠራ ክዀነና እዩ፧ ነዞም ሰባት፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኾም ከገልግሉ፡ ሕደጎም። ግብጺ ኸም ዝጠፍአትዶ ገና ኣይፈለጥካን ኢኻ፧ በልዎ። 8ሽዑ ንሙሴን ንኣሮንን ናብ ፈርኦን መለስዎም። ንሱ ድማ፡ ኪዱ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣገልግሉ። እቶም ዝኸዱ ግና መነመን እዩም፧ በሎም። 9ሙሴ ድማ፡ በዓል እግዚኣብሄር ከነብዕል ኢና እሞ፡ ምስ ናእሽቱናን ምስ ዓበይትናን ክንከይድ ኢና፡ ምስ ኣወዳትናን ምስ ኣዋልድናን ምስ ኣባጊዕናን ምስ ኣሓናን ክንከይድ ኢና፡ በለ። 10ንሱ ድማ፡ ከምቲ ኣነ ምስ ደቅኹም ዝሓደግኩኹም፡ ከምኡ ኸኣ እግዚኣብሄር ምሳኻትኩም ይኹን። ርኣዩ፡ ክፍኣት ኣብ ቅድሜኹም ኣሎ። 11ከምኡ ኣይኰነን። ሰብኡት ደኣ ኺዱ ንእግዚኣብሄር ኣገልግሉ። እቲ ዝደሌኹምዎ ኸኣ ንሱ እዩ፡ በሎም። ካብ ቅድሚ ፈርኦን ድማ ሰጐግዎም። 
   12እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ ምእንቲ ኣንበጣ ናብ ምድሪ ግብጺ ኽድይብ እሞ፡ ንዅሉ ብቝሊ ምድርን ነቲ በረድ ዝሓደጎ ዅሉን ክበልዕሲ ኣእዳውካ ናብ ልዕሊ ምድሪ ግብጺ ዘርግሕ፡ በሎ። 13ሙሴ ኸኣ፡ በትሩ ናብ ልዕሊ ምድሪ ግብጺ ዘርግሐ፡ እግዚኣብሄር ድማ ኣብታ ምድሪ ብዅላ እታ መዓልቲ እቲኣን ብኵላ ለይትን ንፋስ ምብራቕ ኣምጽአ። ምስ ወግሐ ድማ፡ እቲ ንፋስ ምብራቕ ኣንበጣ ኣምጽአ። 14እቲ ኣንበጣ ኸኣ ናብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ግብጺ ደየበ፡ ኣብ ኵላ ሃገር ግብጺ ድማ ኣዝዩ ብዙሕ ረገፈ። ክንዳኡ ዝምብዛሑ ኣንበጣ ቕድሚኡ ኣይነበረን፡ ብድሕሪኡ ኸኣ ከምኡ ዝበለ ከቶ ኣይከውንን። 15ምድሪ ኽሳዕ እትጽልምት ንገጽ ኵላ ምድሪ ኸደና። ንዅሉ ብቝሊ ምድርን ነቲ በረድ ዝሓደጎ ዅሉ ፍረ ኦምን ድማ በልዖ። ኣብ ኵላ ምድሪ ግብጺ ገለ ለምለም ኣብ ኦም ወይ ኣብ ብቝሊ ግራት ኣይተረፈን። 
   16ሽዑ ፈርኦን ንሙሴን ንኣሮንን ቀልጢፉ ጸዊዑ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩምን ንኣኻትኩምን በደልኩ። 17ሕጂ ግና እዛ ግዜ እዚኣ ጥራይ፡ በጃኻ ሕደገለይ። እዚ ሞትዚ ጥራይ ከርሕቐለይ ድማ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ለምኑ፡ በሎም። 18ካብ ፈርኦን ወጺኡ ኸኣ፡ ንእግዚኣብሄር ለመነ። 19እግዚኣብሄር ድማ ህቦብላ ንፋስ ምዕራብ መለሰ። ነቲ ኣንበጣ ገፊፉ ኸኣ ናብ ባሕሪ ኤርትራ ደርበዮ። ኣብ ኵላ ምድሪ ግብጺ ሓደ ኣንበጣ እኳ ኣይተረፈን። 20እግዚኣብሄር ግና ንልቢ ፈርኦን ኣትረሮ፡ እሞ ንደቂ እስራኤል ኣይሓደጎምን። 
   21እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ ኢድካ ናብ ሰማይ ዘርግሕ፡ ኣብ ምድሪ ግብጺ ኸኣ ጸልማት፡ ዝርምሰስ ጸልማት እኳ ደኣ ይኹን፡ በሎ። 22ሙሴ ድማ ኢዱ ናብ ሰማይ ዘርግሑ፡ ኣብ ኵላ ምድሪ ግብጺ ከኣ ስለስተ መዓልቲ ግብ ዝበለ ጸልማት ኰነ። 23ሰለስተ መዓልቲ ሓደ ነቲ ኻልኣዩ ኣይረኣየን፡ ካብ ምቕማጡ ኸኣ ሓደ እኳ ኣይተንስአን። ንዅሎም ደቂ እስራኤል ግና ኣብ እተቐመጥዎ ብርሃን ነበረ። 24ፈርኦን ድማ ንሙሴ ጸዊዑ፡ ኪድ ንእግዚኣብሄር ኣገልግል፡ ኣባጊዕኩምን ኣሓኹምን ጥራይ ይትረፋ። ቈልዑኹም ድማ ምሳኻትኩም ይኺድ፡ በሎ። 25ሙሴ ኸኣ፡ ንስኻ ድማ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና እንስውኦ መስዋእቲ ሕሩድን ዝሓርር መስዋእትን ኣብ ኢድና ኽትህበና ኢኻ። 26እቲ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና እነገልግለሉ ኻብአን ክንወስድ ኢና እሞ፡ ስለዚ ማልና ድማ፡ ሓንቲ ሸዀና ኸይተረፈት፡ ምሳና ክኸዳ እየን። ንሕና ድማ ኣብኡ ኽሳዕ እንበጽሕ፡ ንእግዚኣብሄር ብምንታይ ከም እነገልግሎ ኣይንፈልጥን ኢና፡ በለ። 27እግዚኣብሄር ግና ልቢ ፈርኦን ኣትረረ፡ እሞ ኽሓድጎም ኣይፈተወን። 28ፈርኦን ድማ ካባይ ኪዱ፡ ገጸይ ምስ እትርኢ መዓልቲ ኽትመውት ኢኻ እሞ፡ መሊስካ ገጸይ ከይትርኢ ንርእስኻ ተጠንቀቕ፡ በሎ። 29ሙሴ ኸኣ፡ ከም ዝበልካዮ ይኹን፡ ደጊም መሊሰ ገጽካ ኣይርእን፡ በለ።

        ዘጸኣት  ምዕራፍ 11           

1እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ ናብ ልዕሊ ፈርኦን ናብ ልዕሊ ግብጽን ገና ሓደ መዓት ከምጽእ እየ። ድሕርቲ ካብዚ ኽትወጹ ኽሓድገኩም እዩ። እቲ ኽሓድገኩም ከሎ ድማ፡ ደፊኡ ኽሰጐኩም እዩ። 2እምበኣር ኣብ እዝኒ ህዝቢ ተዛረብ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣይ ካብ ጐረቤት፡ ነፍሲ ወከፍ ሰበይቲ ድማ ካብ ጐረቤት ኣቕሓ ብሩርን ኣቕሓ ወርቅን ይለምኑ፡ በሎ። 3እግዚኣብሄር ድማ ነቲ ህዝቢ ኣብ ቅድሚ ግብጻውያን ሞገስ ሃቦ። ሙሴ፡ እቲ ሰብኣይ ድማ፡ ኣብ ሃገር ግብጺ ኣብ ቅድሚ ገላዉ ፈርኦንን ኣብ ቅድሚ ህዝብን ኣዝዩ ዓብዪ ነበረ። 
   4ሙሴ ድማ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ በሎ፡ ኣነ ፍርቂ ለይቲ ኣቢለ ኣብ ማእከል ግብጺ ኽወጽእ እየ። 5ኵሉ በዅሪ ሃገር ግብጺ ኸኣ፡ ካብ በዅሪ እቲ ኣብ ዝፋን ዝቕመጥ ዘሎ ፈርኦን ክሳዕ በዅሪ እታ ኣብ ድሕሪ መጥሓን ዘላ ግዝእቲ፡ ኵሉ በዅሪ እንስሳ ድማ ክመውት እዩ። 6ኣብ ኵላ ሃገር ግብጺ ኸኣ ከምኡ ዝበለ፡ ከቶ ዘይኰነ መሊሱ ድማ ከምኡ ዝበለ ዘይከውን ዓብዪ ዋይዋይታ ክኸውን እዩ። 7እግዚኣብሄር ግና ኣብ መንጎ ግብጻውያንን ኣብ መንጎ እስራኤልን ከም ዝፈሊ፡ ምእንቲ ኽትፈልጡ፡ ናብ ኵሎም ደቂ እስራኤል ካብ ሰብ ክሳዕ እንስሳ፡ ከልቢ ልሳኑ ኣየወሳውስን። 8እዞም ገላዉኻ ዅሎም ናባይ ክወርዱ እዮም፡ ኣብ ቅድመይ ሰጊዶምለይ ድማ፡ ንስኻን እቲ ዝስዕበካ ዅሉ ህዝብን ውጻእ፡ ክብሉ እዮም። ድሕርዚ ኽወጽእ እየ፡ በለ። ካብ ፈርኦን ከኣ ብቝጥዓ ተናዲዱ ወጸ።
   9እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ ተኣምራተይ ኣብ ምድሪ ግብጺ ምእንቲ ኽበዝሕ፡ ፈርኦን ኣይሰምዓኩምን እዩ፡ በሎ። 10ሙሴን ኣሮንን ከኣ እዚ ዅሉ ተኣምራት እዚ ኣብ ቅድሚ ፈርኦን ገበርዎ። እግዚኣብሄር ድማ ንልቢ ፈርኦን ኣትረሮ፡ ንሱ ኸኣ ንደቂ እስራኤል ካብ ሃገሩ ኣይሰደዶምን።

        ዘጸኣት  ምዕራፍ 12

   1እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ኣብ ምድሪ ግብጺ ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም፡ 2እዛ ወርሒ እዚኣ ንኣኻትኩም መጀመርታ ኣዋርሕ ትኹን፡ ንሳ መጀመርታ ኣዋርሕ ዓመት ትኹንኩም። 3ንዅሉ ኣኼባ እስራኤል ከምዚ ኢልኩም ተዛረቡ፡ ኣብዛ ወርሒ እዚኣ ብዓስረይቲ መዓልቲ ነፍሲ ወከፍ ንቤት ኣቦ ሓደ ገንሸል፡ ነንቤት ሓደ ገንሸል ይውሰድ። 4እቶም ስድራ ቤት ንሓደ ገንሸል ዝውሕዱ እንተ ዀኑ፡ ንሱን እቲ ንቤቱ ዝቐረበ ጐረቤቱን ብቝጽሪ ነፍሳት ሓደ ይውሰድ። ነፍሲ ወከፍ ከም ዝበልዕ መጠን ኣብቲ ገንሸል ቍጸሩ። 5ዓመት ዝገበረ፡ ጐደሎ ዘይብሉ ተባዕታይ ገንሸል ይኹነልኩም። ካብ ኣባጊዕ ወይ ካብ ኣጣል ትወስዱ። 6ኣብዛ ወርሒ እዚኣ ኸኣ ክሳዕ መበል ዓሰርተው ኣርባዕተ መዓልቲ ሓልውዎ። ሽዑ ዅሉ እቲ እኩብ ማሕበር እስራኤል ክመሲ ኸሎ ይሕረዶ። 7ኣብታ ዝብልዓ ቤት ድማ፡ ካብቲ ደሙ ወሲዶም፡ ንኽልቲኡ ቐዋሚ ልዳትን ነቲ ላዕላይ ልዳትን ይልከይዎ። 8ነቲ ስጋኡ ድማ በታ ለይቲ እቲኣ ይብልዕዎ፡ ብሓዊ ጠቢሶም፡ ምስ ቅጫን ምስ መሪር ሓምልን ይብልዕዎ። 9ምስናይ ርእሱን ኣእጋሩን ናውቲ ኸብዱን ብሓዊ ይጠበስ እምበር፡ ካብቲ ዝሕላ ዀነ፡ ካብቲ ብማይ ዝበሰለ ኣይትብልዑ። 10ካብኡ ድማ ገለ እኳ ኽሳዕ ንግሆ ኣይተትርፉ። እቲ ኻብኡ ኽሳዕ ንግሆ ዝተረፈ ኸኣ ብሓዊ ኣንድድዎ። 11ከምዚ ጌርኩም ድማ ክትበልዕዎ ኢኹም፡ ሓቛቝኹም ተዓጢቕኩም፡ ኣሳእንኩም ኣብ ኣእጋርኩም፡ ኣባትርኩም ከኣ ኣብ ኣእዳውኩም ሒዝኩም፡ ቀልጢፍኩም ብልዕዎ። ንሱ ፋስጋ እግዚኣብሄር እዩ። 12በዛ ለይቲ እዚኣ ብምድሪ ግብጺ ኽሓልፍ እየ፡ ካብ ሰብ ክሳዕ እንስሳ፡ ንዅሉ በዅሪ ሃገር ግብጺ ኽወቅዕ እየ። ኣብ ኵሎም ኣማልኽቲ ግብጺ ኸኣ ፍርድታት ክገብር ኣየ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ። 13ንምድሪ ግብጺ ምስ ዝወቅዕ ድማ፡ ኣብተን ዘሎኹምወን ኣባይቲ እቲ ደም ምልክት ይኹንኩም፡ ነቲ ደም ርእየ ኽሓልፈኩም እየ። እቲ ዘጥፍእ መዓትውን ኣባኻትኩም ኣይከውንን። 14እዛ መዓልቲ እዚኣ ድማ ንመዘከርታ ትኹነልኩም፡ ንእግዚኣብሄር ከኣ ተብዕልዋ። ሕጊ ዘለኣለም ጌርኩም ንውሉድ ወለዶ ኣብዕልዋ። 15ሾብዓተ መዓልቲ ቕጫ ትበልዑ። ካብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ኽሳዕ እታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ብኹዕ ዝበልዐ ዘበለ፡ እታ ነፍሲ እቲኣ ኻብ እስራኤል ክትቍረጽ እያ እሞ፡ በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ነቲ ማይ ብሑቝ ካብ ኣባይትኹም ኣውጽኡ። 16በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ቅዱስ ኣኼባ፡ በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ድማ ቅዱስ ኣኼባ ይኹነልኩም። ብኣታተን ገለ ዕዮ ኣይገበር። እቲ ንነፍሲ ወከፍ ዝበልዖ፡ ንሱ ጥራይ ይተዓየየልኩም። 17ነዚ በዓል ቕጫ ሓልውዎ። በዛ መዓልቲ እዚኣ ንሰራዊትኩም ካብ ምድሪ ግብጺ ኣውጺአዮ እየ እሞ፡ ነዛ መዓልቲ እዚኣ ንውሉድ ወለዶ ሕጊ ዘለኣለም ጌርኩም ሓልውዋ። 18ኣብታ ቐዳመይቲ ወርሒ፡ ካብታ ወርሒ ድማ ብመበል ዓሰርተው ኣርባዕተ መዓልቲ ምሸት፡ ክሳዕ መበል ዕስራን ሓደን መዓልቲ ምሸት ኣብታ ወርሒ፡ ቅጫ ኽትበልዑ ኢኹም። 19ወሰንተኛ እንተ ዀነ፡ ወይ ወዲ ዓዲ ብኹዕ ዝበልዐ ዘበለ፡ እታ ነፍሲ እቲኣ ኻብ ኣኼባ እስራኤል ክትቍረጽ እያ እሞ፡ በተን ሾብዓተ መዓልቲ ኣብ ኣባይትኹም ማይ ብሑቝ ኣይረከብ። 20ገለ እኳ ብኹዕ ኣይትብልዑ፡ ኣብ ኵሉ እትነብርዎ ቕጫ ብልዑ። 
   21ሙሴ ድማ ንዅሎም ዓበይቲ እስራኤል ጸዊዑ በሎም፡ ነንማይ ቤትኩም ገንሸል ሓሪኹም ውሰዱ እሞ ፋስጋ ሕረዱ። 22ዕትርቲ ስምዕዛ ውሰዱ፡ ኣብቲ ኣብ ጭሐሎ ዘሎ ደም ከኣ ጥምዕዎ፡ ነቲ ላዕላይ ልዳትን ንኽልቲኡ ቀዋሚ ልዳትን በቲ ኣብ ጭሐሎ ዘሎ ደም ልኸይዎ። ክሳዕ ብጊሓት ድማ ካባኻትኩም ሓደ ሰብ እኳ ካብ ኣፍ ቤቱ ኣይውጻእ። 23እግዚኣብሄር ንግብጻውያን ክወቅዕ ክሓልፍ እዩ እሞ፡ ነቲ ደም ኣብ ላዕላይ ልዳትን ኣብ ክልቲኡ ቀዋሚ ልዳትን ምስ ረኣየ፡ እግዚኣብሄር ነታ ደገ ኽሓልፋ እዩ፡ ነቲ ዘጥፍእ ድማ ናብ ቤትኩም ኣትዩ ኽወቕዓኩም ኣይሓድጎን። 24እዚ ነገርዚ ንኣኻን ንደቅኻን ሕጊ ዘለኣለም ጌርኩም ሓልውዎ። 25ክኸውን ከኣ እዩ፡ ናብታ እግዚኣብሄር ዝህበኩም ምድሪ ምስ ኣቶኩም፡ ከምቲ እተዛረቦ፡ ነዚ ኣገልግሎት እዚ ሓልዉ፡ 26ክኸውን ድማ እዩ፡ ደቅኹም፡ እዚ ኣገልግሎትኩም እንታይ እዩ፧ ምስ ዝብሉኩም፡ 27ንስኻትኩም ከኣ፡ እዚ ነቲ ንግብጻውያን ክወቅዕ ከሎ፡ ኣብ ግብጺ ኣባይቲ ደቂ እስራኤል ዝሓለፈ፡ ኣባይትና ድማ ዘድሓነ እግዚኣብሄር መስዋእቲ ፋስጋ እዩ፡ ትብሉ። እቲ ህዝቢ ኸኣ ፍግም ኢሉ ሰገደ። 28ደቂ እስራኤል ድማ ከይዶም ከምኡ ገበሩ። ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴን ንኣሮንን ዝኣዘዞም ገበሩ። 
   29ፍርቂ ለይቲ ምስ ኰነ፡ እግዚኣብሄር ንዅሉ በዅሪ ሃገር ግብጺ፡ ካብቲ ኣብ ዝፋኑ ዝቕመጥ በዅሪ ፈርኦን ክሳዕ በዅሪ እቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘሎ እሱር፡ ንዅሉ በዅሪ እንስሳ ድማ ቐተለ። 30ሽዑ ፈርኦን፡ ንሱን ኵሎም ገላዉኡን ኵሎም ግብጻውያንን ብለይቲ ተንስኡ። ምዉት ዘይብላ ቤት ኣይነበረትን እሞ፡ ኣብ ግብጺ ብርቱዕ ዋይዋይታ ዀነ፡ 31ንሙሴን ንኣሮንን ብለይቲ ጸዊዑ ድማ፡ ንስኻትኩምን ደቂ እስራኤልን ተንስኡ እሞ ካብ ማእከል ህዝበይ ውጹ። ከምቲ ዝበልኩምዎ ኺዱ፡ ንእግዚኣብሄር ኣገልግሉ። 32ከምቲ ዝበልኩምዎ ድማ፡ ኣባጊዕኩምን ኣሓኹምን ውሰዱ። ኪዱ እሞ ንኣይ ከኣ መርቑኒ፡ በለ። 33እቶም ግብጻውያን ድማ፡ ኵልና ኽንመውት ኢና፡ ኢሎም ነቶም ህዝቢ ኻብታ ሃገር ቀልቲፎም ከውጽእዎም ሃወኽዋም። 34እቶም ህዝቢ ድማ ነቲ ብሑቖም ገና ኸይበዅዐ ወሰድዎ፡ ነቲ መልወሲኦም ከኣ ብኽዳውንቶም ጠቕሊሎም ኣብ መንኵቦም ጾርዎ። 35ደቂ እስራኤል ከኣ ከምቲ ሙሴ ዝበሎም ገበሩ። ካብ ግብጻውያን ኣቓሑ ብሩርን ኣቓሑ ወርቅን ክዳውንትን ለመኑ። 36እግዚኣብሄር ድማ ነቶም ህዝቢዝደለይዎ ዅሉ ኽህብዎም ኣብ ቅድሚ ሰብ ግብጺ ሞገስ ሃቦም። ንሰብ ግብጺ ኸኣ ገፈፍዎም። 
   37ደቂ እስራኤል ድማ ብዘይ ቈልዑ ሹድሽተ ሚእቲ ሽሕ ዝኣክል ኣጋር ካብ ራዕምሴስ ናብ ሱኮት ተጓዕዙ። 38ምስኦም ድማ ብዙሕ ሕውስዋስ ህዝብን ኣባጊዕን ኣሓን፡ ኣዝየን ብዙሓት ማል ደየበ። 39እቲ ኻብ ግብጺ ዘውጽእዎ ብሑቕ ኣይበዅዐን ነበረ እሞ፡ ካብኡ ቅጫታት ሰንከቱ። ካብ ግብጺ ስለ እተሰጉ፡ ክድንጕዩ ኣይከኣሉን እሞ፡ ስንቆም ኣየዳለዉን ነበሩ። 
   40ደቂ እስራኤል ኣብ ግብጺ ተቐሚጦምዎ ዝነበሩ ኣርባዕተ ሚእትን ሰላሳን ዓመት እዩ። 41ኰነ ኸኣ፡ ኣብ መወዳእታ እተን ኣርባዕተ ሚእትን ሰላሳን ዓመት፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ዀነ፡ ኵሎም ሰራዊት እግዚኣብሄር ካብ ምድሪ ግብጺ ወጹ። 42ኣዛ ለይቲ ኣዚኣ፡ ብእኣ ኻብ ምድሪ ግብጺ ስለ ዘውጽኦም፡ ንእግዚኣብሄር ፍጹም እተሓለወት እያ፡ እዛ ለይቲ እዚኣ ብዅሎም ደቂ እስራኤል ንዉሉድ ወለዶኦም ፍጹም ንእግዚኣብሄር እተሓለወት እያ። 
   43እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን በሎም፡ ሕጊ ፋስጋ እዚ እዩ፡ ጓና ዘበለ ኻብኡ ኣይብላዕ። 44ብገንዘብ እተዓደገ ባርያ ግና፡ ምስ ገዘርካዮ፡ ካብኡ ይብላዕ። 45ስደተኛን በዓል ዓስብን ካብኡ ኣይብላዕ። 46ኣብ ሓንቲ ቤት ይብላዕ። ካብቲ ስጋ ገለ እኳ ኻብ ቤት ንግዳም ኣይተውጽእ፡ ዓጽሚ ድማ ኣይትስበሩ። 47ኵሉ ኣኼባ እስራኤል ነዚ ይግበሮ። 48ጓና ምሳኻ እንተ ተቐመጠ እሞ ንእግዚኣብሄር ፋስጋ ኽገብር እንተ ደለየ፡ ምስኡ ዘሎ ተባዕታይ ዘበለ ዅሉ ይገዘር፡ ሽዑ ኽገብር ይቕረብ፡ ከም ወዲ ዓዲ ኸኣ ይኹን። ዘይግዙር ዘበለ ግና ካባኡ ኣይብላዕ። 49ንወዲ ዓድን ኣብ መንጎኹም ንዝነብር ጓናን ሓደ ሕጊ ይኹን። 
   50ኵሎም ደቂ እስራኤል ድማ እዚ ገበሩ። ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴን ንኣሮንን ዝኣዘዞም፡ ከምኡ ገበሩ። 51ኰነ ኸኣ፡ እግዚኣብሄር በታ መዓልቲ እቲኣ ንደቂ እስራኤል በብሰራዊቶም ካብ ምድሪ ግብጺ ኣውጽአ።

        ዘጸኣት  ምዕራፍ 13            

   1-2እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ ኣብ ደቂ እስራኤል ማሕጸን ዝኸፍት ኵሉ፡ ሰቡን እንስሳኡን፡ ንሱ ናተይ እዩ እሞ ኵሉ በዅሪ ንኣይ ቀድሶ፡ ኢሉ ተዛረቦ። 
   3ሙሴ ድማ ንህዝቢ በለ፡ እግዚኣብሄር ብሓያል ኢድ ካብኣ ኣውጺኡኩም እዩ እሞ፡ ነዛ ኻብ ግብጺ ኻብ ባርነት ዝወጻእኩምላ መዓልቲ እዚኣ ዘክርዋ፡ ብዅዕ ከኣ ኣይበላዕ። 4ንስኻትኩም ብወርሒ ኣቢብ ሎሚ ትወጹ ኢኹም። 5ክኸውን ድማ እዩ፡ እግዚኣብሄር ናብ ምድሪ ኸነኣናውያንን ሔታውያንን ኣሞራውያንን ሃዋውያንን ይቡሳውያንን፡ ናብታ ጸባን መዓርን እተውሕዝ፡ ንኣኻ ኽህበካ ኢሉ ነቦታትካ ዝመሓለሎም ምድሪ ምስ ኣእተወካ፡ ሽዑ ነዚ ኣገልግሎት እዚ ኣብዛ ወርሒ እዚኣ ሓልዎ። 6ሾብዓተ መዓልቲ ቅጫ ኽትበልዕ ኢኻ፡ በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ድማ በዓል እግዚኣብሄር ክኸውን እዩ። 7በተን ሾብዓተ መዓልቲ ቅጫ ይበላዕ፡ ኣባኻ ብሑቝ ኣይርአ፡ ኣብ ኩሉ ዶብካውን ማይ ብሑቕ ኣይርአ። 8በታ መዓልቲ እቲኣ ንወድኻ ከምዚ ኢልካ ትነግሮ፡ እዚ ብዛዕባቲ፡ ካብ ግብጺ ምስ ወጻእኩ፡ እግዚኣብሄርዝገበረለይ እዩ። 9እግዚኣብሄር ብሓያል ኢድ ካብ ግብጺ ኣውጺኡካ እዩ እሞ፡ ሕጊ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኣብ ኣፍካ ክኸውን ኣብ ኢድካ ንምልክት፡ ኣብ መንጎ ኣዒንትኻ ድማ ንመዘከሪ ይኹንካ። 10ነዚ ሕጊ እዚ በቲ ምዱብ ግዜኡ ዓመት ንዓመት ሓልዎ። 
   11ይኸውን ድማ፡ እግዚኣብሄር ናብታ ንኣኻን ነቦታትካን ዝመሓለልካ ምድሪ ኸነኣናውያን ምስ ኣእተወካ፡ ንኣኻ ምስ ሃበካ፡ 12ማሕጸን ዝኸፈተ ዅሉ ንእግዚኣብሄር ክትፈሊ ኢኻ። ካብ ዘሎካ ማልካ ቅድም እተወልደ ዅሉ ተባዕታይ ንእግዚኣብሄር እዩ። 13ኵሉ በዅሪ ኣድጊ ድማ ብበጊዕ ተበጀዎ፡ እንተ ዘይተበጆኻዮ ኸኣ፡ ክሳዱ ስበሮ። ካብ ደቅኻ ድማ በዅሪ ንዘበለ ዅሉ ሰብ ተበጀዎ። 14ክኸውን ድማ እዩ፡ ንዳሕራዩ ወድኻ፡ እዚ ኣንታይ እዩ፧ ኢሉ ምስ ዝሓተካ፡ ንስኻ፡ እግዚኣብሄር ካብ ግብጺ፡ ካብ ቤት ባርነት ብሓያል ኢድ ኣውጽኣና። 15ኰነ ኸኣ፡ ፈርኦን ከይሓድገና ምስ ተረረ፡ እግዚኣብሄር ኣብ ሃገር ግብጺ ንዅሉ በዅሪ፡ ካብ በዅሪ ሰብ ክሳዕ በዅሪ እንስሳ፡ ቀቲሉ እዩ እሞ፡ስለዚ ማሕጸን ዝኸፈተ ዅሉ ተባዕታይ ንእግዚኣብሄር እስውኦ፡ ካብ ደቀይ ድማ በዅሪ ንዝዀነ ዅሉ እብጀዎ፡ ትብሎ። 16እግዚኣብሄር ካብ ግብጺ ብሓያል ኢድ ኣውጺኡና እዩ እሞ፡ እዚ ድማ ኣብ ኢድካ ኸም መፈለጥታ፡ ኣብ መንጎ ኣዒንትኻ ኸኣ ከም ክታብ ይኹንካ። 
   17ኰነ ድማ፡ ፈርኦን ነቶም ህዝቢ ምስ ሓደጎም፡ ኣምላኽ፡ እቶም ህዝቢ ውግእ ምስ ዝርእዩ፡ ተጣዒሶም ናብ ግብጺ ኸይምለሱ ኢሉ ነበረ እሞ፡ እታ መገዲ ምድሪ ፍልስጥኤማውያን፡ ንሳ ቐረባ ኽንሳ፡ ኣምላኽ ብእኣ ኣይመርሖምን። 18ኣምላኽ ግና ነቲ ህዝቢ ብመገዲ በረኻ ኣቢሉ ንባሕሪ ኤርትራ ኣዞሮ። ደቂ እስራኤል ድማ ካብ ምድሪ ግብጺ ተሰሊፎም ወጹ። 19ዮሴፍ ንደቂ እስራኤል፡ ኣምላኽ ብርግጽ ክበጽሓኩም እዩ፡ ሽዑ ነዕጽምተይ ካብዚ ምሳኻትኩም ኣደይብዎ፡ ኢሉ ማሕላ ኣምሒልዎም ነበረ እሞ፡ ሙሴ ድማ ንዓጽሚ ዮሴፍ ምስኡ ወሰዶ። 
   20ካብ ሱኮት ነቒሎም ኣብ ኤታም ኣብ ወሰን በረኻ ሰፈሩ። 21ለይትን መዓልትን ምእንቲ ኽጐዓዙ፡ እግዚኣብሄር ድማ ብመዓልቲ መገዲ ኽመርሖም ብዓንዲ ደበና፡ ብለይቲ ኸኣ ኸብርሃሎም ብዓንዲ ሓዊ ቀቅድሚኦም ይኸይድ ነበረ። 22እቲ ዓንዲ ደበና ብመዓልቲ፡ እቲ ዓንዲ ሓዊ ኸኣ ብለይቲ ኻብ ቅድሚ እቶም ህዝቢ ኣይተፈልየን።

        ዘጸኣት  ምዕራፍ 14            

   1እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ከምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ 2ንደቂ እስራኤል፡ ተመሊሶም ኣብ መንጎ ሚግዶልን ባሕርን ኣብ መንጽር ጲሃሒሮት ክሰፍሩ፡ ንገሮም። ኣብ መንጽር በዓልጸፎን፡ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ስፈሩ። 3ፈርኦን ድማ ብዛዕባ ደቂ እስራኤል፡ በረኻ ውሒጥዎም ኣብ ምድሪ ቀባሕባሕ ይብሉ ኣለው፡ ክብል እዩ። 4ኣነ ድማ ንልቢ ፈርኦን ከትርሮ እየ፡ ንሱ ኸኣ ደድሕሪኦም ስዒቡ ኽሰጎም እዩ። ብፈርኦንን ብዅሉ ሰራዊቱን ክኸብር እየ፡ ግብጻውያን ድማ ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝዀንኩኽፈልጡ እዮም። ከምኡ ኸኣ ገበሩ። 
   5ድማ ንንጉስ ግብጺ እቲ ህዝቢ ኸም ዝሃደመ ነገርዎ። ልቢ ፈርኦንን ገላውኡን ከኣ ብዛዕባ እቲ ህዝቢ ተለወጡ፡ ከይግዝኡናስ ንእስራኤል ብምሕዳግና እንታይ እዩ ዝገበርናዮ፧ ድማ በሉ። 6እሞ ሰረገላኡ ኣዳለወ፡ ህዝቡውን ምስኡ ወሰደ፡ 7ሹድሽተ ሚእቲ ሕሩያት ሰረገላታትን ኩለን ሰረገላታት ግብጽን፡ ኣብ ኵለን ከኣ ተዋጋእቲ ወሰደ። 8እግዚኣብሄር ንልቢ ፈርኦን ንጉስ ግብጺ ኣትረሮ እሞ፡ ንሱ ደድሕሪ እቶም ብልዕልቲ ኢድ ዝወጹዝነበሩ ደቂ እስራኤል ገስገሰ። 9ግብጻውያን ድማ፡ ኵሎም ኣፍራስ ፈርኦንን ሰረገላታቱን ፈረሰኛታቱን ኵሎም ሰራዊቱን ደድሕሪኦም ገስጊሶም፡ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ኣብ ጲሃሒሮት ኣብ መንጽር በዓልጸፎን ሰፊሮም ከለዉ ኣርከብዎም። 10ፈርኦን ምስ ቀረበ፡ ደቂ እስራኤል ኣዒንቶም ኣልዓሉ፡ እንሆ ኸኣ፡ ግብጻውያን ደድሕሪኦም ገስገሱ። ደቂ ኣስራኤል ድማ ኣዝዮም ፈርሁ፡ ናብ እግዚኣብሄር ከኣ ተማህለሉ። 11ንሙሴ ድማ፡ ናብዚ በረኻ ኽንመውት ዝወሰድካናስ፡ ኣብ ግብጺዶ መቓብር ኣይነበረን፧ ካብ ግብጺ ዘውጻእካናስ ንምንታይ እዚ ገበርካና፧ 12እቲ ኣብ ግብጺ ዝበልናካኸ እዚ ነገርዚዶ ኣይኰነን፧ ኣብ በረኻ ኻብ እንመውት ንግብጻውያን ከነገልግል ይሕሸና እሞ፡ ንግብጻውያን ንገዛኣዮም ሕደገናዶ ኣይበልናን፧ በልዎ። 13ሽዑ ሙሴ ነቶም ህዝቢ፡ ኣይትፍርሁ፡ ደው በሉ፡ እቲ ምድሓን እግዚኣብሄር ሎሚ ዝገብረልኩም ርኣዩ። እዞም ሎሚ እትርእይዎም ግብጻውያን ደጊም መሊስኩም ንዘለኣለም ኣይትርእይዎምን። 14እግዚኣብሄርክዋጋኣልኩም እዩ እሞ፡ ህድኡ፡ በሎም። 
   15እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ በሎ፡ ስለምንታይ ናባይ እትምህለል፧ ንደቂ እስራኤል ክጐዓዙ ንገሮም። 16ንስኻ ድማ በትርኻ ኣልዒልካ፡ ኢድካ ናብ ልዕሊ ባሕሪ ዘርግሕ እሞ ምቐሎ፡ ደቂ እስራኤል ከኣ ናብ ማእከል ባሕሪ ናብቲ ንቑጽ ይእተዉ። 17ኣነ ድማ፡ እንሆ፡ ልቢ ግብጻውያን ከትርር እየ። ንሳቶም ከኣ ደድሕሪኦም ክኣትዉ እዮም እሞ፡ ብፈርኦንን ብዅሎም ሰራዊቱን ብሰረገላታቱን ብፈረሰኛታቱን ክኸብር እየ። 18ብፈርኦንን ብሰረገላታቱን ብፈረሰኛታቱን ምስ ከበርኩ ድማ፡ ግብጻውያን ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝዀንኩኽፈልጡ እዮም። 
   19እቲ ብቕድሚ ሰፈር እስራኤል ዝኸይድ ዝነበረ መልኣኽ ድማ ተላዒሉ ንድሕሪኦም ከደ። እቲ ዓንዲ ደበና ኸኣ ካብ ቅድሚኦም ተላዒሉ ኣብ ድሕሪኦም ደው በለ። 20ናብ መንጎ ሰፈር ግብጽን ሰፈር እስራኤልን ኣተወ። ኣብኡ ኸኣ ደበናን ጸልማትን ነበረ፡ ነታ ለይቲ ኸኣ ኣብርሃ። ለይቲ ብምልእታ እቲ ሓደ ናብቲ ሓደ ኣይቀረበን። 
   21ሙሴ ድማ ኢዱ ናብ ልዕሊ ባሕሪ ዘርግሐ። እግዚኣብሄር፡ ከኣ ነቲ ባሕሪ ለይቲ ብምልእታ ብብርቱዕ ንፋስ ምብራቕ ኣልጊሱ፡ ነቲ ባሕሪ ኣንቀጾ። እቲ ማያት ከኣ ተመቕለ። 22ደቂ እስራኤል ድማ በቲ ንቑጽ ናብ ማእከል ባሕሪ ኣተዉ። እቲ ማይ ከኣ ብየመነ ጸጋሞም ከም መንደቕ ደው በለ። 23ግብጻውያን ድማ፡ ኵሎም ኣፍራስ ፈርኦንን ሰረገላታቱን ፈረሰኛታቱን ድድሕሪኦም ገስጊሶም፡ ናብ ማእከል ባሕሪ ኣተዉ። 24ኰነ ኸኣ፡ ሓለዋ ኣጋ ጽባሕ ምስ ኰነ፡ እግዚኣብሄር ካብቲ ዓንዲ ሓውን ካብ ደበናን ናብ ሰራዊት ግብጻውያን ጠመተ፡ ንሰራዊት ግብጻውያን ኣሸበሮም። 25ነቲ ሰረገላታቶም ከኣ መንኰራዅሩ ኣምለቘ፡ ብጭንቂ ተጓዕዙ። ግብጻውያን ከኣ፡ እግዚኣብሄር ኣብ ክንዳኦም ምስ ግብጻውያን ይዋጋእ ኣሎ እሞ፡ ካብ ቅድሚ እስራኤል ንህደም በሉ። 26እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ ኢድካ ናብ ልዕሊ ባሕሪ ዘርግሕ እሞ፡ እቲ ማያት ናብ ልዕሊ ግብጻውያን፡ ናብ ልዕሊ ሰረገላታቶምን ፈረሰኛታቶምን ይምለስ፡ በሎ። 27ሙሴ ኸኣ ኢዱ ናብ ልዕሊ ባሕሪ ዘርግሐ፡ እቲ ባሕሪ ድማ ብግዜ ጽባሕ በርቲዑ ናብ ምውሓዙ ተመለሰ፡ ግብጻውያን ከኣ ክሃድሙ ኸለዉ ተጓነፍዎ። እግዚኣብሄር ድማ ንግብጻውያን ናብቲ ማእከል ባህሪ ደርበዮም። 28እቲ ማያት ከኣ ተመልሰ፡ ነቶም ድድሕሪኦም ናብ ባሕሪ ዝኣተዉ፡ ንሰረገላታትን ንፈረሰኛታትን ንዅሉ ሰራዊት ፈርኦንን ድማ ደፈኖም። ካባታቶም ሓደ እኳ ኣይተረፈን። 29ደቂ እስራኤል ግና ኣብ ማእከል ባሕሪ ብንቑጽ ከዱ፡ እቲ ማያት ከኣ ብየማነ ጸጋሞም ከም መንደቕ፡ ኰነሎም። 30ከምኡ እግዚኣብሄር በታ መዓልቲ እቲኣ ንእስራኤል ካብ ኢድ ግብጻውያን ኣድሓኖም። እስራኤል ድማ ምዉታት ግብጻውያን ኣብ ገምገም ባሕሪ ረኣየ። 31እስራኤል እታ እግዚኣብሄር ኣብ ግብጻውያን ዝገበራ ዓባይ ኢድ ረኣየ እሞ፡ እቶም ህዝቢ ንእግዚኣብሄር ፈርሁ። ብእግዚኣብሄርን ብባርያኡ ሙሴን ድማ ኣመኑ።

        ዘጸኣት  ምዕራፍ 15            

   1ሽዑ ሙሴን ደቂ እስራኤልን እዚመዝሙር እዚ ንእግዚኣብሄር ከምዚ ኢሎም ዘመሩሉ፡
      ንሱ ኣዝዩ ክብ ኢሉ እዩ እሞ፡
      ንእግዚኣብሄር እዝምር ኣሎኹ።
      ንፈረስን ፈረሰኛን ናብ ባሕሪ ደርበዮም።
      2እግዚኣብሄር ሓይለይን መዝሙረይን እዩ፡
      ምድሓን ከኣ ኰነኒ።
      እዚ ኣምላኸይ እዩ እሞ፡ ከክብሮ እየ።
      ኣምላኽ ኣቦይ እዩ፡ ክብ ከብሎ እየ። 
      3እግዚኣብሄር ተዋጋኢ እዩ፡
      ስሙ እግዚኣብሄር እዩ። 
      4ንሰረገላታት ፈርኦንን ሰራዊቱን ናብ ባሕሪ ደርበዮም፡
      እቶም ሕሩያት ሓለቓታቱ ኣብ ባሕሪ ኤርትራ ጠሓሉ።
      5መዓሙቕ ከደኖም፡
      ከም እምኒ ናብ ታሕቲ ወረዱ።
      6ጎይታይ፡ የማነይትኻ ብሓይላ ኸበረት፡
      ጎይታይ፡ የማነይትኻ ንጸላኢ ቐጥቀጠቶ።
      7ብዕቤት ግርማኻ ንዝተንስኡኻ ጨፍለቕካዮም፡
      ቍጥዓኻ ሰደድካ፡ ከም ሓሰር በልዓቶም።
      8ብትንፋስ ኣፍንጫኻ ማያት ተዀመሩ።
      ወሓዝቲ ከኣ ከም ኵምራ ደው በሉ፡
      ማያት መዓሙቕ ድማ ኣብ ማእከል ባሕሪ ረግኡ።
      9እቲ ጻላኢ ኸኣ፡ ገስጊሰ ኸርክቦም እየ፡
      ምርኮ ኽመቅል እየ።
      ነፍሰይ ከኣ ብእኦም ትጸግብ፡
      ሴፈይ እመልሕ፡ ኢደይ ድማ ተጥፍኦም፡ በለ። 
      10ብንፋስካ ኣንፈስካ፡
      ባሕሪ ድማ ኣጐልበቦም።
      ከም ዓረር ኣብ ብርቱዕ ማያት ጠሓሉ። 
      11ዎ እግዚኣብሄር፡
      ኣብ መንጎ ኣማልኽቲ ከማኻ ዝበለ መን እዩ፧
      ብምስጋና እተፈራህካ፡ ገባር ተኣምራት፡
      ብቕድስናኸ ኸማኻ ዝኸበረ መን እዩ፧ 
      12የማነይትኻ ዘርጋሕካ፡
      ምድሪ ወሓጠቶም።
      13ነቲ እተበጆኻዮ ህዝቢ ብምሕረትካ መራሕካ።
      ብሓይልኻ ናብ ቅዱስ ማሕደርካ መራሕካዮም። 
      14ህዝብታት ሰሚዖም ተምበድበዱ፡
      ኣብ ፍልስጥኤም ዝነብሩ ጭንቀት ሓዞም።
      15ሽዑ ሓላቑ ኤዶም ተሸበሩ፡
      ነቶም ሓያላት ሞኣብ ራዕዲ ሓዞም።
      ኣብ ከነኣን ዝነብሩ ዅሎም መኸኹ። 
      16ዎ እግዚኣብሄር፡ ህዝብኻ ኽሳዕ ዝሓልፍ፡
      እቲ ዘጥሬኻዮ ህዝቢ ኽሳዕ ዝሓልፍ፡
      ስምባድን ፍርሃትን ወደቖም፡
      ብሓይሊ ቕልጽምካ ኸኣ ከም እምኒ ትም ይብሉ።
      17ዎ እግዚኣብሄር፡ ናብታ ንማሕደርካ ዝገበርካያ ቦታ፡
      ጎይታይ፡ ናብቲ ኣእዳውካ ዘዳለዋኦ መቕደስ፡
      ኣብ ከረን ርስትኻ ተእትዎምን ትተክሎምን።
      18እግዚኣብሄር ንወትርግ፡ ንዘለኣለም ይነግስ።
   19ኣፍራስ ፈርኦን ምስ ሰረገላታቱን ፈረሰኛታቱን ናብ ባሕሪ ኣተወ፡ እግዚኣብሄር ድማ ነቲ ማያት ባሕሪ ናብ ልዕሊኦም መለሶ፡ ደቂ እስራኤል ግና ብማእከል ባሕሪ ብንቑጽ ሓለፉ። 
   20ነብዪት ሚርያም ሓብቲ ኣሮን ከኣ ከበሮ ብኢዳ ወሰደት፡ ኵለን ኣንስቲ ድማ ብከበሮን ብሳዕስዒትን ደድሕሪኣ ወጻ። 21ሚርያም ከኣ መለሰትሎም፡ ንሱ ኣዝዩ ክብ ዝበለ እዩ፡
ንፈረስን ንፈረሰኛን ናብ ባሕሪ ደርብዩ እዩ እሞ፡ንእግዚኣብሄር ዘምሩሉ።
   22ሙሴ ድማ ንእስራኤል ካብ ባሕሪ ኤርትራ ኣንቀሎም፡ ናብ በረኻ ሹር ወጹ። ሰለስተ መዓልቲ ኣብ በረኻ ከዱ፡ ማይ ከኣ ኣይረኸቡን። 23ናብ ማራ ድማ መጹ፡ ማይ ማራ መሪር ነበረ እሞ፡ ክሰትይዎ ኣይከኣሉን። ብዛዕባዚ ስማ ማራ ተባህለት። 24እቶም ህዝቢ ኸኣ ንሙሴ፡ እንታይ ክንሰቲ ኢና፧ ኢሎም ኣጕረምረሙሉ። 25ንሱ ኸኣ ናብ እግዚኣብሄር ተማህለለ። እግዚኣብሄር ድማ ሓንቲ ኦም ኣርኣዮ፡ ናብቲ ማይ ደርበያ፡ እቲ ማይ ከኣ መቀረ። ኣብኡ ሕግን ስርዓትን ገበረሎም፡ ኣብኡ ኸኣ ፈተኖም። 26በለ ድማ፡ ድምጺ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ተጠንቂቕካ እንተ ሰማዕካ፡ እቲ ኣብ ዓይኑ ቕኑዕ ዝዀነ ኸኣ እንተ ገበርካ፡ ንትእዛዛቱውን ጽን እንተ በልካ፡ ኵሉ ሕጋጋቱ ድማ እንተ ሓሎኻ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ፈዋሲኻ እየ እሞ፡ እቲ ናብ ግብጻውያን ዝሰደድክዎ ሕማም ኣይሰደልካን እየ። 
   27ናብ ኤሊም ድማ መጹ፡ ኣብኣ ዓሰርተው ክልተ ዓይኒ ማይን ሰብዓ ኦም ተምርን ነበረ። ኣብኡ ኸኣ ኣብ ጥቓ ማይ ሰፈሩ።

        ዘጸኣት  ምዕራፍ 16            

   1ኵሎም ኣኼባ ደቂ እስራኤል ድማ ካብ ኤሊም ነቒሎም፡ ካብ ምድሪ ግብጺ ምስ ወጹ፡ ኣብ ካልኣይቲ ወርሒ፡ ኣብ መበል ዓሰርተው ሓሙሽተ መዓልቲ፡ ኣብ መንጎ ኤሊምን ሲናን ናብ ዘላ በረኻ ሲን መጹ። 2ኵሎም ኣኼባ ደቂ እስራኤል ድማ ኣብቲ በረኻ ንሙሴን ኣሮንን ኣጕረምረሙሎም። 3ደቂ እስራኤል ከኣ፡ እቲ ኣብ ጥቓ ቝራዕ ስጋ ኾፍ ኢልና፡ እንጌራ ኽሳዕ እንጸግብ ክንበልዕ ከሎና፡ ብኢድ እግዚኣብሄር ኣብ ምድሪ ግብጺ እንተ ንመውት፡ መን ምሃበና። ንስኻትኩም ነዚ ዅሉ ኣኼባ ብጥሜት ክትቀትሉ ናብ በረኻ ኣውጻእኩምና፡ በልዎም። 
   4ሽዑ እግዚኣብሄር ንሙሴ በሎ፥ እንሆ፡ ኣነ ኻብ ሰማይ እንጌራ ኸዝንመልኩም እየ። እቶም ህዝቢ ብሕገይ ዝኸዱ እንተ ዀኑ፡ ወይስ እንተ ዘይኰኑ፡ ምእንቲ ኽፍትኖምሲ፡ እናወጹ ነንመዓልቱ ዘድሊ ይእረዩ። 5ክኸውን ድማ እዩ፡ ብሳድሰይቲ መዓልቲ ኸዳልዉ ዘምጽእዎ፡ ነቲ ነንመዓቲ ዝኣርይዎ ኻዕበቱ ይኹን። 6ሙሴን ኣሮንን ድማ ንዅሎም ደቂ እስራኤል፡ እግዚኣብሄር ካብ ምድሪ ግብጺ ኸም ዘውጽኣኩም፡ ምሸት ክትፈልጡ ኢኹም። 7ብጊሓት ከኣ ክብሪ እግዚኣብሄር ክትርእዩ ኢኹም። እቲ ንእግዚኣብሄር ምጕርምራምኩም ሰሚዕዎ እዩ እሞ፡ ንኣና እተጕረምርሙልናስ፡ ንሕና እንታይ ኢና፧ በልዎም። 8ሙሴ ድማ፡ እዚእግዚኣብሄር ምሸት ስጋ ንምብላዕ፡ ብጊሓት ከኣ እንጌራ ንምጽጋብ ንኣኻትኩም ብምሃቡ እዩ ዝኸውን። እግዚኣብሄር እቲ ዘጕረምረምኩምሉ ምጕርምራም ሰሚዕዎ እዩ እሞ፡ ንሕና እንታይ ኢና፧ ንእግዚኣብሄር ኢኹም እምበር፡ ንኣና ኣይኰንኩምን ዘጕረምረምኩምልና፡ በለ።
   9ሙሴ ድማ ንኣሮን፡ ንዅሉ ኣኼባ ደቂ እስራኤል፡ ምጕርምራምኩም ሰሚዑ እዩ እሞ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅረቡ በሎም፡ በሎ። 10ኰነ ኸኣ፡ ኣሮን ንብዘሎ ኣኼባ ደቂ እስራኤል ምስ ተዛረበ፡ ንሳቶም ንበረኻ ገጾም ጠመቱ፡ እንሆ ኸኣ፡ ክብሪ እግዚኣብሄር ብደበና ተራእየ። 11እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ከምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ 12ምጕርምራም ደቂ እስራኤል ሰሚዐ እየ እሞ፡ ምሸት ስጋ ኽትበልዑ ኢኹም፡ ብጊሓት ከኣ እንጌራ ኽትጸግቡ ኢኹም። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም፡ ኢልካ ተዛረቦም። 13ኰነ ከኣ፡ ንምሸቱ ብርኒጎታት ተላዒለን ነቲ ሰፈር ከደናኦ። ብጊሓት ድማ ኣብ ዙርያ እቲ ሰፈር ዛዕዝዓ ወዲቑ ነበረ። 14እቲ ዛዕዝዓ ምስ ዘፈፈ ኸኣ፡ እንሆ፡ ኣብ ገጽ እቲ በረኻ ገለ ደቂቕ ከቢብ፡ ከም ኣስሓይታ ዝምድቃቑ ኣብ ምድሪ ነበረ። 15ደቂ እስራኤል ድማ እዚ ምስ ረኣዩ፡ እንታይ ምዃኑ ኣይፈለጡን እሞ፥ እዚ እንታይ እዩ፧ ኢሎም ንሓድሕዶም ተሓታትቱ። ሙሴ ኸኣ፥ እዚእግዚኣብሄር ክትበልዕዎ ዝሃበኩም እንጌራ እዩ። 16እቲ እግዚኣብሄርዝኣዘዞ ነገር ድማ እዚ እዩ፥ ነፍሲ ወከፍ ንብልዑ ዝኣክል ካብኡ ይኣክብ። ከም ፍቕዲ ነፍሳትኩም ንነፍሲ ወከፍ ሓደ ጎመር፡ ነፍሲ ወከፍ ነቶም ኣብ ድንኳኑ ዘለዉ ይውሰደሎም፡ በሎም። 17ደቂ እስራኤል ድማ ከምኡ ገበሩ። ሓደ ብዙሕ፡ ሓደ ኸኣ ሒደት ኣከቡ። 18ብጎመር ድማ ሰፈርዎ፡ እቲ ብዙሕ ዝኣከበ ኣየትረፈን፡ እቲ ሒደት ዝኣከበ ኸኣ ኣየጕደለን። ነፍሲ ወከፍ እቲ ብልዑ ዝኣኽሎ ኣከበ። 19ሙሴ ድማ፡ ሓደ እኳ ኻብኡ ገለ ኽሳዕ ንጽብሒቱ ኣየትርፍ፡ በሎም። 20ንሙሴ ግና ኣይሰምዕዎን እሞ፡ ገለ ሰባት ካብኡ ኽሳዕ ንጽብሒቱ ኣትረፉ፡ ንሱ ኸኣ ሓሰኸ፡ በድበደ ድማ። ሙሴ ኸኣ ብኣታቶም ተናደደ። 21ነፍሲ ወከፍ ንግሆ ንግሆ ኻብኡ መጠን ብልዑ ዝኣክል ይእክብ ነበረ። ጸሓይ ምስ ሞቐት ግና፡ መኸኸ። 
   22ኰነ ኸኣ፡ በታ ሳድሰይቲ መዓልቲ ኻብቲ እንጌራ ኻዕበት ኣከቡ፡ ክልተ ጎመር ንሓደ። ኵሎም ሓላቑ እቲ ኣኼባ ድማ መጺኦም ንሙሴ ነገርዎ። 23ንሱ ኸኣ፡ እዚ እቲ እግዚኣብሄርዝበሎ እዩ። ጽባሕ ክቡር ዕረፍቲ፡ ንእግዚኣብሄር ቅድስቲ ሰንበት እያ፡ እትስንክትዎ ሰንክቱ፡ እተፍልሕዎውን ኣፍልሑ። እቲ ዝተረፈ ዅሉ ኸኣ ኣንብርዎ፡ ክሳዕ ጽባሕ ይተሓለወልኩም፡ በሎም። 24ከምቲ ሙሴ ዝኣዘዞም ከኣ ንጽባሕ ኣንበርዎ፡ ንሱ ኣይበድበደን ኣይሓሰኸን ድማ። 25ሙሴ ኸኣ፡ ሎሚ ናይ እግዚኣብሄር ሰንበት እያ፡ ሎሚ ኣብ መሮር ኣይትረኽቡን ኢኹም እሞ፡ ሎሚ ብልዕዎ። 26ሹድሽተ መዓልቲ ኣክቡ፡ እታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ግና ሰንበት እያ፡ ብእኣ ኣይርከብን እዩ፡ በለ። 27ኰነ ድማ፡ ካብቶም ህዝቢ በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ኽእክቡ ወጹ፡ ኣይረኸቡን ከኣ። 28እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ ክሳዕ መኣዝ ኢኹም ትእዛዛተይን ሕጋጋተይን ምሕላው እትኣብዩ፧ 29ርኣዩ፡ እግዚኣብሄር ሰንበት ሂቡኩም እሞ፡ ስለዚ በታ ሳድሰይቲ መዓልቲ ንኽልተ መዓልቲ ዝኸውን እንጌራ ይህበኩም ኣሎ። ነፍሲ ወከፍ ኣብ ዘዘለዎ ይቀመጥ። በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ሓደ እኳ ኻብ ስፍራኡ ኣይውጻእ፡ በሎ። 30እቲ ህዝቢ ኸኣ በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ዓረፈ። 31ቤት እስራኤል ድማ ስሙ ማና በልዎ። ፍረ ጻቕዳ ይመስል ነበረ፡ ጻዕዳ ኸኣ ነበረ፡ ምጥዓሙውን ከም ሕምባሻ ምስ መዓር ነበረ። 
   32ሙሴ ድማ በለ፡ እግዚኣብሄርሲ እቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ ኸውጻኩም ከሎኹ ኣብ በረኻ ዝመገብኩኹም እንጌራ ምእንቲ ኽርእዩስ፡ ካብኡ ሓደ ጎመር ምልኡ፡ ንውሉድ ወለዶኹም ከኣ ይተዓቘር፡ ኢሉ እዚ ነገርዚ ኣዘዘ። 33ሙሴ ድማ ንኣሮን፥ ኣቕሓ ኣምጺእካ ናብኡ ሓደ ጎመር ምሉእ ማና ኣእቱ፡ ንውሉድ ወለዶኹም ክዕቈር ከኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣንብሮ፡ በሎ። 34ኣሮን ከኣ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ ክዕቈር ኣብ ቅድሚ እቲ ምስክር ኣንበሮ። 35ደቂ እስራኤል፡ ናብ ዓዲ ሃገረ ሰብ ክሳዕ ዝኣትው፡ ኣርብዓ ዓመት ማና በልዑ። ናብ ወሰን ሃገር ከንኣን ክሳዕ ዝበጽሑ፡ ማና በልዑ። 36ጎመር ግና ዓስራይ ኣፍ ኤፋ እዩ።

        ዘጸኣት  ምዕራፍ 17            

   1ኵሉ እቲ ኣኼባ ደቂ እስራኤል ካብ በረኻ ሲን ነቐለ፡ ከም ትእዛዝእግዚኣብሄር ድማ ካብ ሰፈር ናብ ሰፈር እናተጓዕዙ ኣብ ረፊዲም ሰፈሩ። እቲ ህዝቢ ኸኣ ዝሰትዮ ማይ ኣይነበሮን። 2እቶም ህዝቢ ድማ፡ እንሰትዮ ማይ ሃቡና፡ ኢሎም ምስ ሙሴ ተቛየቑ። ሙሴ ኸኣ፡ ስለምንታይ ምሳይ ትቛየቑ፧ በሎም። ስለምንታይከ ንእግዚኣብሄር ትፍትኑ፧ በሎም። 3እቶም ህዝቢ ድማ ኣብኡ ማይ ጸሚኦም ንሙሴ፡ ስለምንታይ ኢኻ፡ ንሕናን ደቅናን ማልናን ብጽምኢ ኽንመውት ካብ ግብጺ ዘደየብካና፧ ኢሎም ኣጕረምረሙሉ። 4ሙሴ ድማ፥ ነዚህዝቢዚ እንታይ ክገብሮ እየ፧ ብዳርባ እምኒ ክቐትሉኒ ቕሩብ ተሪፍዎም ኣሎ፡ ኢሉ ናብ እግዚኣብሄር ኣእወየ። 5እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ ናብ ቅድሚ ህዝቢ ሕለፍ እሞ፡ ካብ ዓበይቲ እስራኤል ከኣ ምሳኻ ውሰድ፡ እታ ነታ ርባ ዝወቓዕካላ በትርኻ ድማ ኣብ ኢድካ ሒዝካ ኺድ። 6እንሆ፡ ኣነ ኣብኡ ኣብ ቅድሜኻ ኣብ ልዕሊ ኸውሒ ሆሬብ ደው ክብል እየ። ነቲ ኸውሒ ኸኣ ክትወቅዖ ኢኻ፡ ነቶም ህዝቢዘስቲ ማይ ድማ ካብኡ ኽወጽእ እዩ፡ በሎ።ሙሴ ድማ ኣብ ቅድሚ ዓበይቲ እስራኤል ከምኡ ገበረ። 7ብዛዕባ እቲ ቘየቛ ደቂ እስራኤል፡ ንእግዚኣብሄር ድማ፡ እግዚኣብሄርሲ ኣብ ማእከልናዶ ኣሎ ወይ ኣይፋሉን፧ ኢሎም ስለ ዝፈተንዎ፡ ስም እታ ቦታ ማሳን መሪባን ኣውጽኣላ። 
   8ሽዑ ኣማሌቅ መጺኡ፡ ምስ እስራኤል ኣብ ረፊዲም ተዋግአ። 9ሙሴ ድማ ንእያሱ፡ ሰባት ሕረየልና እሞ፡ ወጺእካ ምስ ኣማሌቅ ተዋጋእ። ኣነ ጽባሕ በትሪ ኣምላኽ ኣብ ኢደይ ሒዘ ኣብ ርእሲ እቲ ዅርባ ደው ክብል እየ፡ በሎ። 10እያሱ ኸኣ ከምቲ ሙሴ ዝበሎ ገበረ፡ ምስ ኣማሌቅ ከኣ ተዋግአ። ሙሴን ኣሮንን ሁርን ድማ ናብ ርእሲ እቲ ዅርባ ደየቡ። 11ኰነ ኸኣ፡ ሙሴ ኢዱ ምስ ዘልዕል፡ እስራኤል ይስዕር ነበረ፡ ኢዱ ምስ ዘውርድ ድማ፡ ኣማሌቅ ይስዕር ነበረ።12ኣእዳው ሙሴ ኸኣ ረብረባ እሞ እምኒ ወሲዶም ኣብ ትሕቲኡ ኣንበሩ፡ ንሱውን ኣብ ልዕሊኡ ተቐመጠ። ኣሮንን ሁርን ከኣ ሓደ በዚ ሓደ በቲ ዀይኖም፡ ኣእዳው ይድግፉ ነበሩ።ኣእዳው ኸኣ ጸሓይ ክሳዕ እትዓርብ ጸንዓ። 13እያሱ ድማ ንማሌቅን ንህዝቡን ብስሕለት ሴፍ ቀርደዶም።
   14እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ ንዝኽሪ ኣማሌቅ ካብ ትሕቲ ሰማይ ፈጺመ ኽድምስሶ እየ እሞ፡ እዚ ንመዘከርታ ኣብ መጽሓፍ ጽሓፎ፡ ንእያሱውን ኣብ እዝኑ ኣስምዓዮ፡ በሎ። 15ሙሴ ኸኣ መሰውኢ ሰርሐ፡ ስሙ ድማ፡ እግዚኣብሄር ሰንደቕ ዕላማይ እዩ፡ ኢሉ ጸውዖ። 16ኢድ ናብ ዝፋን እግዚኣብሄር ተላዒላ ኣላ እሞ፡ ውግእ እግዚኣብሄር ምስ ኣማሌቅ ካብ ወለዶ ንወለዶ እዩ፡ ድማ በለ።

        ዘጸኣት  ምዕራፍ 18            

   1የትሮ፡ ካህን ሚድያን ሓሙ ሙሴ፡ ኣምላኽ ንሙሴን ንህዝቡ እስራኤልን ዝገበሮ ዅሉ፡ እግዚኣብሄር ንእስራኤል ካብ ግብጺ ኸም ዘውጽአ ሰምዐ። 2ሽዑ የትሮ ሓሙ ሙሴ ንሲፎራ ሰበይቲ ሙሴ፡ ንሱ ሰዲድዋ ዝነበረ፡ 3ንኽልቲኦም ደቃ ድማ ወሰዶም። ሙሴ ኸኣ ኣነ ኣብ ምድሪ ጓና ስደተኛ ዀንኩ፡ ኢሉ ነበረ እሞ ስም እቲ ሓደ ጌርሾም ኣውጻኣሉ፡ 4ስም እቲ ኻልኣይ ድማ፡ ኣምላኽ ኣቦይ ረዳእየይ ነበረ እሞ፡ ካብ ሴፍ ፈርኦን ከኣ ኣድሓነኒ፡ ኢሉ ኣልኣዛር ኣውጻሉ። 5የትሮ ሓሙ ሙሴ ድማ ምስ ደቂ ሙሴን ሰበይቱን ናብ ሙሴ፡ ኣብቲ ንሱ ሰፊርዎ ዝነበረ በረኻ፡ ኣብ ጥቓ ኸረን ኣምላኽ መጸ። 6ንሙሴ ድማ፡ ኣነ የትሮ ሓሙካ፡ ሰበይትኻን ክልቲኦም ደቃ ድማ ምስኣን፡ ናባኻ እመጽእ ኣሎኹ፡ በሎ። 7ሙሴ ኸኣ ሓሙኡ ክቕበል ወጸ፡ ሰገደሉ ሰዓሞ ድማ። ናይ ድሓን ምህላዎም ንሓድሕዶም ተሓታተቱ፡ ናብ ድንኳን ከኣ ኣተዉ። 8ሙሴ ድማ እቲ እግዚኣብሄር ምእንቲ እስራኤል ኢሉ ንፈርኦንን ንግብጻውያንን ዝገበሮ ዅሉን እቲ ኣብ መገዲ ዝረኸቦም ኵሉ ጭንቀትን እግዚኣብሄር ከኣ ከም ዘድሓኖምን ንሓሙኡ ነገሮ። 9የትሮ ድማ በቲ እግዚኣብሄር ንእስራኤል ካብ ኢድ ግብጻውያን ብምድሓኑ፡ ዝገበሮ ዅሉ ጽቡቕ ነገር ተሓጎሰ። 10የትሮ ድማ፡ እቲ ኻብ ኢድ ግብጻውያንን ካብ ኢድ ፈርኦንን ዘድሓነኩም፡ እቲ ንህዝቢ ኻብ ትሕቲ ኢድ ግብጻውያን ዘድሓነ እግዚኣብሄር ይባረኽ። 11እቲ ዝገበርዎም ግፍዒ ኣብ ልዕሊኦም መሊሱሎም እዩ እሞ፡ እግዚኣብሄር ካብ ኵሎም ኣማልኽቲ ኸም ዝዓቢ፡ ሕጂ ፈለጥኩ፡ በለ። 12የትሮ ሓሙ ሙሴ ድማ ዝሓርር መስዋእትን መስዋእቲ ሕሩድን ንኣምላኽ ወሰደሉ። ኣሮንን ኵሎም ዓበይቲ እስራኤልን ምስ ሓሙ ሙሴ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ እንጌራ ኽበልዑ መጹ። 
   13ኰነ ኸኣ፡ ንጽብሒቱ ሙሴ ነቲ ህዝቢኽፈርድ ተቐመጠ።እቲ ህዝቢ ድማ ካብ ብጊሓት ክሳዕ ምሸት ንሙሴ ኸቢብዎ ደው ኢሉ ነበረ። 14ሓሙ ሙሴ ኸኣ እቲ ኣብ ህዝቢዝገብሮ ኹሉ ምስ ረኣየ፥ እዚ ኣብዚህዝቢ እትገብሮ ዘሎኻ ነገር እንታይ እዩ፧ ስለምንታይከ ኢኻ፡ ኵሉ ህዝቢ ኻብ ብጊሓት ክሳዕ ምሸት ከቢቡካ ደው ኢሉ ኸሎ፡ ንስኻ በይንኻ ኾፍ እትብል፧ በሎ። 15ሙሴ ድማ ንሓሙኡ፡ እቲ ህዝቢ ንምላኽ ክሓትት ናባይ ይመጽእ፡ 16ነገር ምስ ዝህልዎም ናባይ ይመጹ፡ ኣነ ኸኣ ኣብ መንጎ ሓደ ሰብን ኣብ መንጎ ብጻዩን እፈርድ፡ ስርዓት ኣምላኽን ሕጋጋቱን ድማ እነግሮም፡ በሎ። 17ሓሙ ሙሴ ኸኣ በሎ፡ እዚ ንስኻ እትገብሮ ዘሎኻ ነገር ኣይጽቡቕን እዩ። 18ንስኻን እዚ ምሳኻ ዘሎ ህዝብን ክትደኽሙ ኢኹም፡ እዚ ነገርዚ ኻብ ዓቕምኻ ዝኸብድ እዩ እሞ፡ በይንኻ ኽትገብሮ ኣይትኽእልን ኢኻ። 19ሕጂ ኸኣ ክመኽረካ፡ ቃለይ ስማዕ፡ እግዚኣብሂር ድማ ምሳኻ ይኹን። ንስኻ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣብ ክንዲ ህዝቢ ኹን፡ እቲ ነገሮም ድማ ንስኻ ናብ ኣምላኽ ኣብጽሕ። 20ስርዓታትን ሕጋጋትን ምሃሮም፡ ዝኸዱላ መገድን ዝገብርዎ ግብርን ከኣ ንገሮም። 21ንስኻ ኻብ ኵሉ ህዝቢ ኸኣልቲ ንእግዚኣብሄርዝፈርሁ ሰባት፡ እሙናት፡ ረብሓ ዓመጽ ዝጸልኡ ሰባት ሕረ። ንኣታቶም ከኣ ሓላቑ ሽሕን ሓላቑ ሚእትን ሓላቑ ሓምሳን ሓላቑ ዓሰርተን ኣብ ልዕሊኦም ሽመሎም። 22ወርትግ ድማ ንህዝቢ ይፍረዱ። ክኸውን ከኣ እዩ፡ ዓብዪ ነገር ዝዀነ ዅሉ ናባኻ የምጽኡ። ኵሉ ንእሽቶ ነገር ግና ባዕላቶም ይፍረድዎ። እቲ ጾር ምሳኻ እንተ ጾሩ ኸኣ፡ ንኣኻ ይፈዅሰካ። 23እዚ ነገርዚ እንተ ገበርካ፡ ኣምላኽ ድማ ከምኡ እንተ ኣዘዘካ፡ ክትጸንዕ ኢኻ። ኵሉ እዚህዝቢዚ ድማ ናብ ቦታኡ ብሰላም ይኣቱ። 
   24ሙሴ ድማ ቃል ሓሙኡ ሰሚዑ፡ ዝበሎ ዅሉ ገበረ። 25ሙሴ ኸኣ ካብ ኵሉ እስራኤል ከኣልቲ ሰባት ሓርዩ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሓላቑ ክዀኑ፡ ሓላቑ ሽሕን ሓላቑ ሚእትን ሓላቑ ሓምሳን ሓላቑ ዓሰርተን ገበሮም። 26ንሳቶም ድማ ንህዝቢ ወርትግ ፈረዱ። ብርቱዕ ነገር ዝዀነ ኸኣ ናብ ሙሴ ኣምጽኡሉ፡ ዅሉ ንእሽቶ ነገር ግና ንሳቶም ፈረዱ። 27ሙሴ ድማ ንሓሙኡ ሰደዶ፡ ንሱ ኸኣ ናብ ሃገሩ ኸደ።

        ዘጸኣት  ምዕራፍ 19            

   1ደቂ እስራኤል ካብ ምድሪ ግብጺ ኻብ ዝወጹ ኣብ ሳልሰይቲ ወርሒ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ናብ በረኻ ሲና መጹ። 2ካብ ረፊዲም ተላዒሎም ናብ በረኻ ሲና መጹ፡ ኣብቲ በረኻ ድማ ሰፈሩ። እስራኤል ከኣ ኣብኡ ኣብ መንጽር እቲ ኸረን ሰፈረ። 3ሙሴ ድማ ናብ ኣምላኽ ደየበ። እግዚኣብሄር ከኣ ካብቲ ኸረን ጸዊዑ በሎ፡ ንቤት ያእቆብ ከምዚ በሎም፡ ንደቂ እስራኤል ከኣ ንገሮም፥ 4እቲ ኣብ ግብጻውያን ዝገበርክዎ፡ በኽናፍ ንስሪ ጾይረ ናባይ ከም ዘምጻእኩኹምን ድማ ባዕላትኩም ርኢኹም ኢኹም። 5ሕጂ ድማ ቃለይ ኣጸቢቕኩም እንተ ሰማዕኩም፡ ኪዳነይ ውን እንተ ሓሎኹም፡ ኵላ ምድሪ ናተይ እያ እሞ፡ ሓለፋ ዅሎም ህዝብታት ገንዘበይ ክትኰኑኒ ኢኹም። 6ንስኻትኩም ድማ መንግስቲ ኻህናትን ቅዱስ ህዝብን ክትኰኑኒ ኢኹም። እቲ ንደቂ እስራኤል እትዛረቦም ነገር እዚ እዩ። 
   7ሙሴ ድማ መጺኡ ንዓበይቲ ህዝቢ ጸውዐ፡ እቲ እግዚኣብሄርዝኣዘዞ ዅሉ ቓላት ነገሮም። 8ኵሎም ህዝቢ ኸኣ ብሓደ፡ ዀይኖም፡ እግዚኣብሄርዝበሎ ዅሉ ንገብር፡ ኢሎም መለሱ። ሙሴ፡ ድማ ቃል እቲ ህዝቢ ናብ እግዚኣብሄር መለሰ። 9እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ ክዛረበካ ኸሎኹ፡ እቶም ህዝቢ ምእንቲ ኽሰምዑ፡ ንሓዋሩ ድማ ክኣምኑኻስ፡ እንሆ፡ ኣነ ብጸሊም ደበና ኽመጻካ እየ፡ በሎ። ሙሴ ኸኣ ዘረባ እቶም ህዝቢንእግዚኣብሄር ነገሮ። 10-11እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ በሎ፥ እግዚኣብሄር በታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝቢ ናብ ከረን ሲና ኽወርድ እዩ እሞ፡ ናብቶም ህዝቢ ኺድ፡ ሎምን ጽባሕን ቀድሶም፡ ክዳውንቶም ከኣ ይሕጸቡ። ነታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ይዳለዉ። 12ነቶም ህዝቢ ድማ ብዙርያኡ ዶብ ግበረሎም። በሎም ከኣ፡ ናብ ከረን ከይትድይቡ፡ ወይ ነቲ ዶብ ከይትትንክዩ ተጠንቀቑ። ነቲ ኸረን ዝተንከየ ዘበለ ሞት ይሙት። 13ገለ ኢድ ኣይተንክዮ፡ እንስሳ እንተ ዀነ ወይ ሰብ፡ ብዳርባ እምኒ ሓደው ብመንትግ ደኣ ይሙት እምበር፡ ብህይወት ኣይንበር። መለኸት ኣንዊሑ ምስ ዝንፋሕ፡ ሽዑ ናብ ከረን ይደይቡ። 
   14ሙሴ ድማ ካብቲ ኸረን ናብቲ ህዝቢ ወረደ፡ ነቲ ህዝቢ ኸኣ ቀደሶ፡ ንሳቶምውን ክዳውንቶም ሓጸቡ። 15ነቶም ህዝቢ ድማ፡ ነታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ተዳለዉ፡ ናብ ሰበይቲ ኸኣ ኣይትቕረቡ፡ በሎም። 
   16ኰነ ኸኣ፡ በታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኽወግሕ ከሎ ነጕድን በርቅን ከቢድ ደበናን ናብ ልዕሊ እቲ ኸረን ኰነ፡ ኣዝዩ ብርቱዕ ደሃይ መለኸትውን ተሰምዐ። እቲ ኣብ ሰፈር ዝነብረ ዅሉ ህዝቢ ድማ ተምበድበደ። 17ሙሴ ኸኣ ነቲ ህዝቢ ምስ ኣምላኽ ክራኸብ ካብ ሰፈር ኣውጽኦ። ኣብ እግሪ ኸረን ድማ ደው በሉ። 18እግዚኣብሄር ብሓዊ ናብኡ ስለ ዝወረደ፡ ኵሉ ኸረን ሲና ይተክኽ ነበረ። ትኪ ኸኣ ከም ትኪ እቶን ካብኡ ዓረገ። ኵሉ እቲ ኸረን ኣዝዩ ኣንቀጥቀጠ። 19እቲ ደሃይ መለኸት ከኣ ኣዝዩ እናበርትዐ ኸደ። ሙሴ ተዛረበ፡ እግዚኣብሄር ድማ ብቓሉ መለሰሉ። 20እግዚኣብሄር ከኣ ናብ ልዕሊ ኸረን ሲና ናብ ርእሲ እቲ ኸረን ወረደ። እግዚኣብሄር ንሙሴ ናብ ርእሲ እቲ ኸረን ጸውዖ። ሙሴ ከኣ ደየበ። 21እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ ውረድ እሞ እቶም፡ ህዝቢ ንእግዚኣብሄርክርእዩ ኸይቀርቡ፡ ብዙሓት ከኣ ኸይጠፍኡስ፡ ኣጠንቕቆም። 22እቶም ናብ እግዚኣብሄርዝቐርቡ ኻህናት ድማ እግዚኣብሄር ከየጥፍኦም፡ ርእሶም ይቀደሱ፡ በሎ። 23ሙሴ ኸኣ ንእግዚኣብሄር በሎ፡ ንስኻ፥ ናብ ዙርያ እቲ ኸረን ዶብ ግበር፡ ቀድሶ ድማ፡ ኢልካ ኣጠንቂቕካና ኢኻ እሞ፡ እቶም ህዝቢ ናብ ከረን ሲና ኽድይቡ ኣይኽእሉን። 24እግዚኣብሄር ከኣ፡ ኪድ ውረድ እሞ፡ ንስኻ ኣሮን ድማ ምሳኻ ደይቡ። እቶም ካህናትን ህዝብን ግና ምእንቲ ኸየጥፍኦም፡ ናብ እግዚኣብሄርክድይቡ ኢሎም ኣይጥሓሱ፡ በሎ። 25ሙሴ ድማ ናብቶም ህዝቢ ወሪዱ ነገሮም።

        ዘጸኣት  ምዕራፍ 20            

   1እግዚኣብሄር ድማ እዚ ቓላት እዚ ዅሉ ከምዚ ኢሉ ተዛረበ፡ 2ካብ ምድሪ ግብጺ፡ ካብ ቤት ባርነት ዘውጻእኩኻ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ።
   3ካልኦት ኣማልኽቲ ኣብ ቅድመይ ኣይሃልዉኻ። 
   4ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ ካብ ዘለዉ፡ ኣብ ታሕቲ ድማ ኣብ ምድሪ ኻብ ዘለዉ፡ ኣብ ማይ ከኣ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ኻብ ዘለዉ፡ ምስልን ስእሊ ዘበለን ንኣኻ ኣይትግበር። 5ኣይትስገድሎም ኣይተገልግሎምን ድማ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ ቀናእ ኣምላኽ እየ እሞ፡ ንዝጸልኡኒ ሓጢኣት ኣቦታት ኣብ ደቂ ኽሳዕ ሳልሳይ ክሳዕ ራብዓይን ወለዶ ዝቐጽዕ፡ 6ንዝፈትዉንን ትእዛዛተይ ንዝሕልዉን ግና ክሳዕ ኣሽሓት ምሕረት ዝገብር እየ። 
   7እግዚኣብሄር ስሙ ብኸንቱ ንዘልዓለ ኸይቀጽዐ ኣይሓድጎን እዩ እሞ፡ ስም እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብኸንቱ ኣይተልዕል። 
   8መዓልቲ ስንበት ክትቅድሳ ዘክር። 9ሹድሽተ መዓልቲ ዕየ፡ ተግባርካ ዅሉ ግበር። 10እታ ሳብዐይቲ ግና ናይ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ሰንበት እያ። ብእኣ ንስኻን ወድኻን ጓልካን ግዙእካን ግዝእትኻን ማልካን ኣብ ውሽጢ ደጌታትካ ዝነብር ስደተኛን ገለ እኳ ዕዮ ኣይትዕየ። 11እግዚኣብሄር ብሹድሽተ መዓልቲ ሰማይን ምድርን ባሕርን ኣባታቶም ዘሎ ዅሉን ገይሩ እዩ እሞ፡ ብሳብዐይቲ መዓልቲ ከኣ ዓረፈ። ስለዚእግዚኣብሄር ንመዓልቲ ሰንበት ባረኻን ቀደሳን። 
   12ኣብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝህበካ ምድሪ ዕድሜኻ ምእንቲ ኽነውሕሲ፡ ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር። 
   13ኣይትቕተል። 
   14ኣይትዘሙ። 
   15ኣይትስረቕ። 
   16ኣብ ብጻይካ ብሓሶት ኣይትመስክር። 
   17ቤት ብጻይካ ኣይትተምነ። ሰበይቲ ብጻይካ ግዙኡ፡ ግዝእቱ፡ ብዕራዩ፡ ኣድጉ፡ ገንዘብ ብጻይካ ዘበለ ዅሉ ድማ ኣይትተምነ። 
   18ኵሎም ህዝቢ ድማ ነጕድን ሃልሃልታን ደሃይ መለኸትን እቲ ኸረን ክተክኽን ረኣዩ። እቶም ህዝቢ እዚ ምስ ረኣዩ ኸኣ፡ ኣንቀጥቀጡ፡ ርሒቖም ድማ ደው በሉ። 19ንሙሴ ድማ፡ ንስኻ ንገረና ንሰምዕ ኢና፡ ኣምላኽ ግና፡ ምእንቲ ኸይንመውት፡ ኣይዛረበና፡ በልዎ። 20ሙሴ ኸኣ ነቶም ህዝቢ፡ ሓጢያት ምእንቲ ኸይትገብሩ፡ ፍርሃቱ ኣብ ቅድሜኹም ክኽወን፡ ኣምላኽ ምእንቲ ኽዕዘበኩም እዩ ዝመጸ እሞ፡ ኣይትፍርሁ፡ በሎም። 21እቲ ህዝቢ ኣብ ርሑቕ ቈመ፡ ሙሴ ናብቲ ኣምላኽ ዘለዎ ጣቓ ቐረበ። 
   22እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ በሎ፡ ንደቂ እስራኤል ከምዚ በሎም፡ ኣነ ኻብ ሰማይ ከም እተዛረብኩኹም፡ ባዕላትኩም ርኤኹም። 23ምሳይ ኣማልኽቲ ኣይትግበሩ፡ ኣማልኽቲ ብሩርን ኣማልኽቲ ወርቅን ንኣኻትኩም ኣይትግበሩ። 24መሰውኢ መሬት ስርሓለይ፡ ኣብ ልዕሊኡ ድማ ዝሓርር መስዋእትታትካን መስዋእቲ ምስጋናኻን፡ ኣባጊዕካን ኣብዑርካን ሰውእ። ስመይ ኣብ ዘዘከርኩሉ ዅላ ቦታ ናባኻ መጺአ ኽባርኸካ እየ። 25መሰውኢ እምኒ እንተ ገበርካለይ፡ ብመንደልካ እንተ ተንከኻዩ ተርክሶ ኢኻ እሞ፡ ብውቑር እምኒ ኣይትንደቆ። 26ናብ መሰውእየይ፡ ኣብ ልዕሊኡ ሕፍረትካ ኸይቅላዕሲ፡ ብመሳልል ኣይትደይብ።

         ዘጸኣት  ምዕራፍ 21            

   1እቲ ኣብ ቅድሚኦም እተንብሮ ፍርድታት እዚ እዩ፡
   2እብራዊ ባርያ እንተ ተሻየጥካ፡ ሹድሽተ ዓመት ይገዛእካ፡ ኣብታ ሳብዐይቲ ግና ብኸምኡ ሓራ ይውጻእ። 3በይኑ እንተ ዀይኑ ዝመጸ፡ በይኑ ይውጻእ። ባዓል ሰበይቲ እንተ ዀይኑ፡ እታ ሰበይቱ ከኣ ምስኡ ትውጻእ። 4ጐይታኡ ሰበይቲ እንተ ሃቦ እሞ ኣወዳትን ኣዋልድን እንተ ወለደትሉ፡ እታ ሰበይትን ደቃን ንጐይታኣ ይኩኑ፡ ንሱ በይኑ ይውጻእ። 5እቲ ባርያ ግና፥ ጐይታይን ሰበይተይን ደቀይን እፈቱ ኣሎኹ፡ ሓራ ኣይወጽእን፡ እንተ በለ፡ 6ሽዑ እቲ ጐይታኡ ናብ ቅድሚ ኣምላኽ የቕርቦ እሞ፡ ኣብ ማዕጾ ወይ ኣብ ልዳት ኣቕርቦ፡ እቲ ጐይታኡ እዝኑ ብመስፈ የንኵሎ፡ ንሓዋሩ ኸኣ ይግዝኣዮ።7ሰብ፡ ጓሉ ንባርነት እንተ ሸጠ፡ ንሳ ኸምቶም ሓራ ዝወጹ ባሮት ኣይትውጻእ። 8ነታ ዘእተዋ ጐይታኣ ባህ እንተ ዘይበለቶ፡ ሓራ የውጽኣያ። እንድሕሪ ጠለማ ኸኣ፡ ናብ ጓና ህዝቢኽሸጣ ኣይግብኦን። 9ንወዱ እንተ ኣመርዓዋ ድማ እቲ ነዋልድ ዝግባእ ይግበረላ። 10ካልእ ሰበይቲ እንተ ኣምጽኣሉ ድማ፡ ቀለባን ክዳናን ከም ሰብይቱ ዝግባእን ኣየጕድለላ። 11እዚ ሰለስተ ነገርዚ እንተ ዘይገበረላ ግና፡ ብኸምኡ ብዘይ ገንዘብ ሓራ ትውጻእ። 
   12እቲ ንሰብ ወቒዑ ዝቐተለ ሞት ይሙት። 13ኣምላኽ ደኣ ኣብ ኢዱ ዘውደቖ እምበር፡ ዘይተጻናተዎ እንተ ዀይኑ፡ ንሱ ዝሃድመሉ ቦታ ኽገብረልካ እየ። 14ሰብ ተተናዅሉ ንብጻዩ ብጕርሒ እንተ ቐተሎ ኸኣ፡ ክመውት ካብ መሰውእየይ ኣውጽኣዮ። 
   15ነቦኡ ወይ ነዲኡ ዝወቕዐ ሞት ይሙት። 
   16ንሰብ ሰሪቑ ዝሸጦ፡ ወይ ኣብ ኢዱ እንተ ተረኸበ፡ ሞት ይሙት።
   17ነቦኡ ወይ ነዲኡ ዝረገመ ሞት ይሙት። 
   18ሰባት እንተ ተባኣሱ እሞ እቲ ሓደ ንብጻዩ ብእምኒ ወይ ዓሚኹ እንተ ወቕዖ፡ ግናኸ ከይሞተ ኣብ ዓራት እንተ ደቀሰ፡ 19በትሩ ተመርኵሱ ኸኣ ንግዳም ክወጽእ እንተ ኸኣለ፡ እቲ ዝወቕዖ ሓራ ውጹእ እዩ። ናይቲ ዘብኰሮ ግዜ ጥራይ ይኽሓሶ፡ ፈጺሙ ኽሳዕ ዝሓዊ ኸኣ የፈውሶ።
   20ሰብ ነቲ ባርያኡ ወይ ነታ ባርያኡ ብበትሪ ወቒዕዎስ ኣብ ኢዱ እንተ ሞተ፡ ቅጽዓት ይቀጻዕ። 21ሓንቲ ወይ ክልተ መዓልቲ እንተ ተንስአ ግና፡ ገንዘቡ እዩ እሞ፡ ኣይቀጻዕ። 
   22ሰባት እንተ ተባእሱ እሞ ጥንስቲ ሰበይቲ እንተ ደፍኡ፡ ጥንሳ ድማ እንተ ኸደ፡ ካልእ ጕድኣት እንተ ዘይኰነ፡ ሰብኣይ እታ ሰበይቲ ዝጸዓኖ ኻሕሳ ይኽሓስ፡ ፈረዲ ኸም ዝመደቡሉ ኸኣ ይዕደ። 23ጕድኣት እንተ ዀነ ግና፡ ነፍሲ ኣብ ክንዲ ነፍሲ ክትህብ ኢኻ። 24ኣብ ክንዲ ዓይኒ፡ ዓይኒ። ኣብ ክንዲ ስኒ፡ ስኒ። ኣብ ክንዲ ኢድ፡ ኢድ። ኣብ ክንዲ እግሪ፡ እግሪ። 25ኣብ ክንዲ ምንዳድ፡ ምንዳድ። ኣብ ክንዲ ቝስሊ፡ ቍስሊ። ኣብ ክንዲ ሕበጥ፡ ሕበጥ። 
   26ሰብ ዓይኒ እቲ ባርያኡ ወይ ዓይኒ እታ ባርያኡ ወቒዑ እንተ ኣጥፍአ፡ ካሕሳ እታ ዓይኑ ሓራ የውጽኣዮ። 27ስኒ እቲ ባርያኡ ወይ ስኒ እታ ባርያኡ እንተ ሰበረ፡ ካሕሳ እታ ስኑ ሓራ የውጽኣዮ። 
   28ብዕራይ ንሰብኣይ ወይ ንሰበይቲ ወጊኡ እንተ ቐተለ፡ ነቲ ብዕራይ ብዳርባ እምኒ ይቕተልዎ፡ ስጋኡ ድማ ኣይበላዕ። እቲ በዓል ብዕራይ ግና ናጻ እዩ። 29እቲ ብዕራይ ካብ ቀደሙ ተዋጋኢ እንተ ዀነ፡ እሞ ነቲ ዋናኡ ኣስሚዖምሉ ኸለዉ እንተ ዘይሓለዎ፡ ንሰብኣይ ወይ ንሰበይቲ እንተ ቐተለ፡ ነቲ ብዕራይ ብዳርባ እምኒ ይቕተልዎ፡ እቲ ዋናኡ ኸኣ ይሙት። 30ጋር ነፍሲ እንተ ደለይዎ ኸኣ፡ ከም ዝጸዓንዎ ጋር ነፍሱ ይሃብ። 31ንወዲ እንተ ወግአ፡ ወይ ንጓል እንተ ወግአ ኸኣ፡ ከምዚ ፍርዲ እዚ ይግበርዎ። 32ብዕራይ ንተባዕታይ ባርያ ወይ ነንስተይቲ ባርያ እንተ ወግአ፡ እቲ ዋና እቲ ብዕራይ ንጐይታ እቲ ውጉእ ሰላሳ ሲቃል ብሩር ይሃቦ፡ ነቲ ብዕራይ ድማ ብዳርባ እምኒ ይቕተልዎ። 
   33ሰብ ጕድጓድ እንተ ከፈተ ወይ ከኣ ሰብ ጕድጓድ እንተ ዀዓተ እሞ እንተ ዘይከደኖ፡ ናብኡ ድማ ብዕራይ ወይ ኣድጊ እንተ ወደቐ፡ 34እቲ በዓል ጕድጓድ ነቲ ዋናኡ ገንዘብ ክሒሱ የዕርፎ። እቲ ዝሞተ ኸኣ ንእኡ ይኹን። 
   35ብዕራይ ሓደ ሰብ ንብዕራይ ካልእ ሰብ እንተ ቐተለ፡ ነቲ ብህይወት ዘሎ ብዕራዩ ሸይጦም ሽያጡ ይማቐሉ።ነቲ ምዉት ከኣ ይማቐልዎ። 36እቲ ብዕራይ ካብ ቀደሙ ፍሉጥ ተዋጋኢ እንተ ዀነ፡ እሞ ዋናኡ እንተ ዘይሓለዎ ኣብ ክንዲ ብዕራይ፡ ብዕራይ ይኽሓስ።እቲ ዝሞተ ኸኣ ንእኡ ይኹን።

        ዘጸኣት  ምዕራፍ 22            

   1ሰብ ብዕራይ ወይ በጊዕ ሰሪቑ እንተ ሓረደ ወይ እንተ ሸጠ፡ ኣብ ክንዲ ብዕራይ ሓሙሽተ ብዕራይ፡ ኣብ ክንዲ በጊዕ ድማ ኣርባዕተ በጊዕ ይኽሓስ። 2ሰራቒ ጥሒሱ ኽኣቱ ኸሎ እንተ ተረኽበ፡ ወቒዖምዎ፡ ኸኣ እንተ ሞተ፡ ዕዳ ደም የብሉን። 3ጸሓይ እንተ በረቐቶ ግና፡ ዕዳ ደም ኣለዎ። እቲ ሰራቒ ኸኣ ዝሰረቖ ይምለስ። ገንዘብ እንተ ሰኣነ ግን ኣብ ክንዲ እቲ ዝሰረቖ ይሸየጥ። 4እቲ ዝሰረቖ፡ ብዕራይ ኰነ ወይ ኣድጊ ወይ በጊዕ፡ ኣብ ኢዱ ብህይወቱ እንተ ተረኸበ፡ ካዕበት ገይሩ ይኽፈል። 
   5ሰብ ግራት ወይ ኣታኽልቲ ወይኒ እንተ ኣብልዐ፡ ማሉ ፈንዩ ናብ ግራት ካልእ ይብላዕ እንተ ሓደጎ፡ ካብ ግራቱ እታ ዝበለጸት፡ ካብ ኣታኽልቲ ወይኑ ኸኣ እታ ዝበለጸት ይኽሓስ።
   6ሓዊ ወጺኡ ሓጹር እንተ ረኸበ፡ እሞ ቅሚጦ ወይ ዘይዕጹድ ወይ ግራት እንተ በልዐ፡ እቲ ሓዊ ዘንደደ ኻሕሳ ይኽሓስ። 
   7ሰብ፡ ገንዘብ ወይ ኣቕሓ ኣብ፡ ጐረቤት ኽሕለወሉ ሕድሪ እንተ ሃቦ እሞ ካብ ቤት እቲ ሰብ እንተ ተሰርቀ፡ እቲ ሰራቒ ኸኣ እንተ ተረኸበ፡ ካዕበት ገይሩ ይኽሓስ። 8እቲ ሰራቒ እንተ ዘይተረኽበ፡ እቲ በዓል ቤት ናብ ቅድሚ ኣምላኽ ይቕረብ፡ ኢዱ ናብ ገንዘብ ብጻዩ ኸም ዘይዘርግሐ ይምሓል። 9ብዝዀነ ነገር እንተ ኸሰሰ፡ ብዛዕባ ብዕራይ ኰነ፡ ኣድጊ ዀነ፡ በጊዕ ኰነ፡ ክዳን ኰነ ወይ ማንም ዝጠፍአ ኣቕሓ፡ እቲ ሓደ፡ እዚ እዩ፡ እንተ በለ፡ ነገር ክልቲኦም ናብ ቅድሚ ኣምላኽ ይምጻእ። እቲ ኣምላኽ ዝፈረዶ ንብጻዩ ኻዕበት ይኽሓሶ። 
   10ሰብ ክሕልወሉ ኢሉ፡ ኣድጊ ወይ ብዕራይ ወይ በጊዕ ወይ ዝዀነ እንስሳ፡ ሕድሪ እንተ ሃቦ፡ ንሱ ኸኣ እንተ ሞተ፡ ወይ እንተ ተሰብረ፡ ወይ ዝረኣዮ ዘየልቦ እንተ ተዘምተ፡ 11ናብ ገንዘብ ብጻዩ ኢዱ ኸም ዘይዘርግሐ ኣብ መንጎ ኽልቲኦም ማሕላ እግዚኣብሄር ይኹን። እቲ ዋናኡ ድማ ማሕላ ይቀበል፡ እቲ ኸኣ ኣይኽሓስ። 12ካብኡ እንተ ተሰርቀ ግና፡ ነቲ ዋናኡ ይተክኣሉ። 13ኣራዊት እንተ በትበቶ ኸኣ፡ ነቲ እተበትበተ ንምስክር ክዀኖ የምጽኣዮ፡ ተኽኣ ግና ኣይሃብ። 
   14ሰብ ካብ ብጻዩ ገለ እንተ ለመነ፡ ዋናኡ ኸየሎ ኸኣ እንተ ተሰብረ ወይ እንተ ሞተ፡ ካሕሳ ይኽሓሶ። 15እቲ ዋና ምስኡ እንተ ነበረ ግና፡ ኣይኽሓስ፡ ተኻርዩ እንተ ዀነ፡ ብኽራዩ ኣትዩ እዩ። 
   16ሰብ ዘይተሓጽየት ጓል እንተ ኣስሓተ፡ እሞ ምስኣ እንተ ደቀሰ፡ ሰበይቱ ኽትከውን ገዝሚ የግዝማ። 17ኣቦኣ፡ ኣይህበካን፡ ኢሉ እንተ ኸልኦ፡ ከም ገዝሚ ኣዋልድ ገንዘብ ይኽፈል። 
   18ንጠንቋሊት ብህይወት ኣይትሕደጋ። 
   19ምስ እስስሳ ዝድቅስ ኵሉ ሞት ይሙት። 
   20ብጀካ ንእግዚኣብሄር ጥራይ፡ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ዝስውእ ይጽነት። 
   21ንስኻትኩም ከኣ ኣብ ምድሪ ግብጺ ስደተኛታት ኔርኩም ኢኹም እሞ፡ ንስድተኛ ኣይትዓምጾ ወይ ኣይትጽቀጦ። 22ንመበለታትን ንዘኽታማትን ዘበሉ ኣይትግፍዕዎም። 23እንተ ገፋዕካዮም፡ እሞ ኣባይ እንተ ጠርዑ፡ ጥርዓኖም ኣጸቢቐ ኽሰምዕ እየ። 24ኵራይ ይነድድ እሞ፡ ብሴፍ እቐትለኩም። ሽዑ ኣንስትኹም መበለታት፡ ደቕኹም ከኣ ዘኽታማት ይዀኑ።
   25ካብ ህዝበይ ምሳኻ ንዝነብር ድኻ ገንዘብ እንተ ኣለቃሕካ ከም በዓል ሓረጣ ኣይትኹኖ ሓረጣውን ኣይትጽዓኖ። 26ክዳን ብጻይካ እንተ ሓዝካ ጸሓይ ከይዓረበት ምለሰሉ። 27እቲ ስጋኡ ዝኸድነሉ ኽዳኑ፡ ንሱ ጥራይ እዩ እሞ፡ ብምንታይ ክድቅስ፧ ክኸውን ድማ እዩ፡ ኣነ መሓሪ እየ እሞ፡ እንተ ጠርዓለይ ክሰምዖ እየ። 
   28ንኣምላኽ ኣይትጽረፍ፡ ንመስፍን ህዝብኻ ድማ ኣይትርገም። 
   29ካብ ምልኣት ሪቕካን ካብ መጽመቝ ወይንኻን ንምቕራብ ኣይትደንጕ። ካብ ኣወዳትካ እቲ በዅሪ ንኣይ ሃበኒ። 30ካብ ኣብዑርካን ካብ ኣባጊዕካን ድማ ከምኡ ግበር። ሾብዓተ መዓልቲ ምስ ኣዲኡ ይጽናሕ፡ በታ ሳምነይቲ መዓልቲ ንኣይ ትህበኒ። 
   31ቅዱሳት ሰባት ትዀኑኒ። ኣብ መሮር ኣራዊት ዝሓዞ ስጋ ኣይትብልዑ፡ ነኽላባት ደርብይዎ።

        ዘጸኣት  ምዕራፍ 23            

   1ወረ ሓሶት ኣይተልዕል። ምስክር ሓሶት ክትከውን ኢልካ፡ ኢድካ ምስ ዓማጺ ኣይተልዕል። 2ክፉእ ንምግባር ደድሕሪ እቶም ብዙሓት ኣይትስዓብ። ብገለ ነገር ከኣ ደድሕሪ እቶም ብዙሓት ዘንቢልካ ፍርዲ ንምቕናን ኣይትዛረብ። 3ብፍርድስ ነቲ ድኻ ድማ ኣይትደንግጸሉ። 
   4ብዕራይ ጸላኢኻ ወይ ኣድጉ ጠፊኡ እንተ ረኸብካ፡ ናብኡ ምለሰሉ። 5ኣድጊ ጸላኢኻ ኣብ ትሕቲ ጽዕነቱ ወዲቑ እንተ ርአኻ እሞ ከይትሕግዞስ ክትሓድጎ እንተ ሓሰብካ፡ ምስኡ ዄንኻ ኣጸቢቕካ ሓግዞ። 
   6ነቲ ድኻኻ ብነገሩ ፍትሒ ኣይተቕንነሉ። 
   7ካብ ዘረባ ሓሶት ርሓቕ። ኣነ ንረሲእ ኣየጽድቖን እየ እሞ፡ ነቲ ንጹህን ንጻድቕን ኣይትቕተል። 8መማለዲ ነቶም ዝርእዩ የዕውር፡ ዘረባ ጻድቃን ከኣ የቕንን እዩ እሞ፡ መማለዲ ኣይትውሰድ። 9ንስደተኛ ኣይትጽቀጦ፡ ንስኻትኩም ድማ ኣብ ምድሪ ግብጺ ስደተኛታት ኔርኩም ኢኹም እሞ፡ ነፍሲ ስደተኛ ኸመይ ኽም ዝዀነት ትፈልጡ ኢኹም። 
   10ሹድሽተ ዓመት ምድርኻ ዝራእ፡ ፍርያታ ኸኣ ኣእቱ። 11በታ ሳብዐይቲ ዓመት ግና ድኻ ህዝብኻ ምእንቲ ኽበልዓ፡ ትዕረፍ ሕደጋ፡ እቲ ዝተረፈ ድማ እንስሳ መሮር ይብልዓዮ። ኣብ ኣታኽልቲ ወይንኻን ኣብ ኣውሊዕካን ድማ ከምኡ ግበር። 
   12ሹድሽተ መዓልቲ ዕዮኻ ዕየ፡ በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ግና፡ ብዕራይካን ኣድግኻን ምእንቲ ክዓርፉ፡ ወዲ እታ ባርያኻን እቲ ስደተኛን ድማ ከተንፍሱ ዕረፉ። 
   13እቲ ዝበልኩኹም ኩሉ ሓልው። ስም ካልኦት ኣማልኽቲ ኣይትስመዩ፡ ካብ ኣፍካ ኣይሰማዕ። 
   14ሰለስተ ሳዕ ኣብ ዓመት በዓል ግበረለይ። 15በቲ ምዱብ እዋን ብወርሒ ኣቢብ፡ ብእኣ ኻብ ግብጺ ወጺእካ ኢኻ እሞ፡ በዓል ቅጫ ሓሉ፡ ከምቲ ዝኣዘዝኩኻ ሾብዓተ መዓልቲ ቅጫ ብላዕ። ጥራይ ኢዶም ከኣ ኣብ ቅድመይ ኣይረኣዩ። 16ናይቲ ኣብ ግራት ዝዘራእካዮ፡ ናይ ቀዳማይ ዕዮኻ በዓል ዓጺድ ሓሉ።እቲ ፍረ ዕዮኻ ኻብ ግራት ምስ ኣከብካ ድማ፡ ኣብ መወዳእታ ዓመት ናይ ምእካብ በዓል ኣብዕል። 17ኵሉ ወዲ ተባዕታይካ ኣብ ዓመት ሰለስተ ሳዕ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ይምጻእ። 
   18ደም መስዋእተይ ምስ ብዅዕ እንጌራ ኣይትሰውእ። ስብሒ በዓለይ ክሳዕ ንግሆ ኣይሕደር። 
   19ቀዳማይ በዅሪ ፍረ ምድርኻ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣምጽእ። ንማሕስእ ብጸባ ኣዲኡ ኣይተብስል።
   20ኣብ መገዲ ኽሕልወካ ናብቲ ዘዳለኽዎ ቦታ ድማ ከእትወካ፡ እንሆ ኣነ መልኣኽ ቀቅድሜኻ ኽልእኽ እየ። 21ኣብ ቅድሚኡ ተጠንቀቕ፡ ድምጹ ኸኣ ስማዕ፡ ኣይተመርሮ። ስመይ ኣብኡ እዩ እሞ፡ ንበደልኩም ኣይሓድግን እዩ። 22ድምጹ ኣጸቢቕካ እንተ ሰማዕካ፡ ኣነ ዝብለካ ዅሉ ድማ እንተ ገበርካ፡ ኣነ ንጸላእትኻ እጻልኦም፡ ንዝጻረሩኻ ድማ እጻረሮም። 23መልኣኸይ ቀቅድሜኻ ክኸይድ እዩ እሞ፡ ናብ ምድሪ ኣሞራውያንን ሔታውያንን ፈረዛውያንን ከነኣናውያንን ሃዋውያንን ይቡሳውያንን ከእትወካ እዩ። ኣነ ድማ ከጽንቶም እየ። 24ንኣማልኽቶም ኣይትስገድ፡ ኣይተገልግሎም ድማ፡ ከም ግብሮም ከኣ ኣይትግበር። ብጥራስ ደኣ ኣፍርሶም፡ ኣዕኑዶም ከኣ ሓሸምሸም ኣብል። 25ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣገልግሉ፡ ንሱ ኸኣ እንጌራኻን ማይካን ክባርኸልካ እዩ። ሕማም ከኣ ካብ ማእከልካ ኸርሕቕ እየ። 26ኣብ ሃገርካ እተዋግር ወይ መኻን ሰበይቲ ኣይትርከብን። ፍቕዲ መዓልትታትካ ድማ ክመልኦ እየ። 27ናብቶም እትመጾም ኵሎም ህዝብታት መፍርሀይ ቀቅድሜኻ ኽሰድድ፡ ከሸብሮም ድማ እየ። ንዅሎም ጸላእትኻ ኸኣ ካባኻ ከም ዝሃድሙ ኽገብሮም እየ። 28ንሃዋውያንን ንከነኣናውያንን ንሔታውያንን ካብ ቅድሜካ ዝሰጉ ተናኸስቲ ጽንጽያ ቀቅድሜኻ ኽሰድድ እየ። 29እታ ምድሪ ምእንቲ ኸይትባድም፡ ኣራዊት መሮር ከኣ ከይበዝሑኻ፡ ብሓንቲ ዓመት ካብ ቅድሜካ ኣይሰጎምን እየ። 30ተፋሪኻ ነታ ምድሪ ኽሳዕ እትወርሳ በብቕሩብ ካብ ቅድሜኻ ኽሰጎም እየ። 31ነቶም ኣብታ ምድሪ ዝነብሩ ኣብ ኣእዳውኩም ክህበኩም እየ፡ ካብ ቅድሜኻ ኸኣ ክትሰጎም ኢኻ እሞ፡ ሽዑ ዶብካ ኻብ ባሕሪ ኤርትራ ኽሳዕ ባሕሪ ፍልስጥኤም፡ ካብ በረኻ ድማ ክሳዕ እቲ ርባ ኽገብሮ እየ። 32ምሳታቶም ኰነ ምስ ኣማልኽቶም ኪዳን ኣይትእቶ። 33ንኣማልኽቶም እንተ ኣገልገልካ፡ እዚ መፈንጠራ ክዀነካ እዩ እሞ፡ ንኣይ ንምብዳል ምእንቲ ኸየስሕቱኻስ ኣብ ምድርኻ ኣይንበሩ።

        ዘጸኣት  ምዕራፍ 24            

   1ንሙሴ ኸኣ፡ ንስኻን ኣሮንን ናዳብን ኣቢሁን ሰብዓ ኻብ ዓበይቲ እስራኤል ኴንኩም፡ ናብ እግዚኣብሄር ደይቡ። ኣብ ርሑቕ ኴንኩም ድማ ስገዱ። 2ሙሴ ኸኣ በይኑ ናብ እግዚኣብሄር ይቕረብ፡ ንሳቶም ግና ኣይቕረቡ፡ እቶም ህዝቢ ኸኣ ምስኡ ኣይደይቡ፡ በሎ። 3ሙሴ ድማ መጺኡ ነቶም ህዝቢ ዅሉ ዘረባ እግዚኣብሄር ኵሉ ሕጋጋትን ነገሮም። ኵሉ እቲ ህዝቢ ኸኣ ብሓደ ደሃይ፡ እግዚኣብሄር እተዛረቦ ዅሉ ቓላት ንገብር፡ ኢሎም መለሱ። 4ሙሴ ድማ ንዅሉ ቓል እግዚኣብሄር ጸሓፎ። ንጽባሒቱ ኸኣ ኣንጊሁ ተንሲኡ ኣብ እግሪ እቲ ኸረን መሰውኢ፡ ነቶም ዓሰርተው ክልተ ነገድ እስራኤል ድማ ዓሰርተው ክልተ ሓወልቲ ሰርሐ። 5ካብ ደቂ እስራኤል ከኣ ኣጕባዝ፡ ዝሓርር መስዋእቲ ኽስውኡ፡ ካብ ዝራብዓት ድማ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ምስጋና ከቕርቡ፡ ሰደደ። 6ሙሴ ድማ ፈረቓ እቲ ደም ወሲዱ ኣብ ጭሐሎታት ገበሮ፡ ፈረቓ እቲ ደም ከኣ ናብ መሰውኢ ነጸጎ። 7ነቲ መጽሓፍ ኪዳን ወሲዱ ድማ ኣብ እዝኒ እቶም ህዝቢ ኣንበቦ። ንሳቶም ከኣ፡ እግዚኣብሄርዝበሎ ዅሉ ንገብር፡ ንእዘዝ ድማ፡ በሉ። 8ሙሴ ከኣ ነቲ ደም ወሲዱ ናብ ህዝቢ ነጻጎ እሞ፡ እቲ ደም ኪዳን እግዚኣብሄር ብዅለን እዘን ቃላት እዚአን ምሳኻትኩም ዝገበሮ እንሆ፡ በለ። 
   9ሙሴን ኣሮንን ናዳብን ኣቢሁን ካብ ዓበይቲ እስራኤል ድማ ሰብዓ ዀይኖም ደየቡ። 10ንኣምላኽ እስራኤል ከኣ ረኣይዎ። እቲ ትሕቲ እግሩ ድማ ብብሩህ ሰፊሮስ ከም እተገብረ ምድሪ ቤት፡ ምጽራዩ ኸኣ ከም ሰማይ ነበረ። 11ኢዱ ናብቶም ሕሩያት ደቂ እስራኤል ኣይዘርግሐን፡ ንሳቶምሲ ንኣምላኽ ደኣ ረኣዩ፡ በልዑን ሰተዩን ከኣ። 
   12እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ ናባይ ኣብዚ ኸረን ደይብ፡ ኣብኡ ኸኣ ጽናሕ፡ ጽላት እምንን እቲ ኽትምህሮም ኢለ ዝጸሓፍክዎ ሕግን ትእዛዝን ክህበካ እየ፡ በሎ። 13ሙሴን እያሱ ግልያኡን ድማ ተንስኡ፡ ሙሴ ኸኣ ናብ ከረን ኣምላኽ ደየበ። 14ነቶም ዓበይቲ ድማ፡ ናባኻትኩም ክሳዕ እንምለስ፡ ኣብዚ ጽንሑና። እንሆ ኸኣ፡ ኣሮንን ሁርን ምሳኻትኩም ኣለዉ፡ ገለ ነገር ዘለዎ፡ ናባታቶም ይምጻእ፡ በሎም። 15ሙሴ ድማ ናብ ከረን ደየበ፡ ነቲ ኸረን ከኣ ደበና ኣጐልበቦ። 16ክብሪ እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ከረን ሲና ተቐመጠ፡ እቲ ደበና ኸኣ ሹድሽተ መዓልቲ ኣጐልበቦ። በታ ሳብዓይቲ መዓልቲ ድማ ንሙሴ ኻብ ማእከል እቲ ደበና ጸውዖ። 17ትርኢት ክብሪ እግዚኣብሄር ድማ ነዒንቲ ደቂ እስራኤል ከም ዝባላዕ ሓዊ ኰይኑ፡ ኣብ ርእሲ እቲ ኸረን ተራእየ። 18ሙሴ ኸኣ ናብ ማእከል ደበና ኣተወ ናብቲ ኸረንውን ደየበ። ሙሴ ኣብቲ ኸረን ኣርብዓ መዓልቲን ኣርብዓ ለይትን ገበረ።

        ዘጸኣት  ምዕራፍ 25   

   1እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ከምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ 2ንደቂ እስራኤል መባእ ክህቡኒ ተዛረቦም፡ እቲ መባአይ ከኣ ካብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብልቡ ኽህብ ዝፈተወ ውሰዱ። 3እቲ ኻባታቶም እትወስድዎ መባእ ድማ እዚ እዩ፡ ወርቅን ብሩርን ኣስራዚን፡ 4ሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን ጻዕዳ ፈትልን፡ ጸጉሪ ጤልን ድማ፡ 5እተቐርጸ ቘራብቲ ደዓውልን ቈራብቲ ተሃስን፡ ዕንጨይቲ ሽጢምን፡ 6ዘይቲ ንቐንዴል፡ ቀመማት ንመቕብኢ ዝኸውን ዘይቲ፡ ንጥዑም ዝጨናኡ ዕጣን ድማ፡ 7ኣእማን ዕንቍን፡ ንኤፎድን ንሳንቃ ኣፍ ልብን ዝዛነቕ ኣእማንን። 8ኣብ ማእከሎም ምእንቲ ኽነብር ድማ መቕደስ ይግበሩለይ። 9ከምቲ ዅሉ ኣነ ዘርእየካ ምስሊ እቲ ማሕደርን ምስሊ ዅሉ ኣቓሑኡን፡ ከምኡ ግበርዎ። 
   10ታቦት ድማ ካብ ዕጨይቲ ሽጢም ይግበሩ፡ ምንዋሑ ኽልተ እመትን ፈረቓን፡ ምግፋሑ ኸኣ እመትን ፈረቓን፡ ምብራኹውን እመትን ፈረቓን ይኹን። 11ብጽሩይ ወርቂ ኸኣ ለብጦ፡ ውሽጡን ግዳሙን ለብጦ። ላዕላዩ ኸኣ ብዙርያኡ ኣኽሊል ወርቂ ግበረሉ። 12ኣርባዕተ ቐለቤት ወርቂ ኣፍሲስካ ድማ ኣብ ኣርባዕቲኡ እግሩ ግበር፡ ክልተ ቐለቤት ብሓደ ሸነኹ፡ ክልተ ቐለቤት ከኣ ብኻልኣይ ሸነኹ። 13ካብ ዕጨይቲ ሽጢም መሰላታት ግበር እሞ ብወርቂ ለብጦ። 14እቲ ታቦት ብእኡ ምእንቲ ኽጽወርሲ፡ ነቲ መሰላታት ናብቲ ኣብ ጎቦታት ታቦት ዘሎ ቐላብቲ ኣእትዎ። 15እቲ መሰላታት ኣብቲ ቐላብቲ ታቦት ይቀመጥ እምበር፡ ካብኡ ኣይውጻእ። 16ነቲ ኣነ ዝህበካ ምስክር ኣብቲ ታቦት ከተንብሮ ኢኻ። 17መኽደን መተዓረቒ ድማ ካብ ጽሩይ ወርቂ ግበር፡ ምንዋሑ ክልተ እመትን ፈረቃን፡ ምግፋሑ ኸኣ እመትን ፈረቓን ይኹን። 18ክልተ ኪሩቤል ድማ ካብ ወርቂ ኽትገብር ኢኻ። ቀጥቂጥካ ትሰርሖም እሞ ኣብ መኽደን መተዓረቒ ኣብ ክልተ ወሰኑ ትገብሮም። 19ሓደ ኪሩቤል ኣብ ሓደ ወሰን፡ ካልኣይ ኪሩቤል ከኣ ኣብቲ ኻልኣይ ወሰን ግበሮም። ነቶም ኪሩቤል፡ ምስቲ መኽደን መተዓረቒ ሓደ ዀይኑ፡ ብኽልተ ወሰኑ ግበርዎም። 20እቶም ኪሩቤል ከኣ ንሓድሕዶም ገጽ ንገጽ መሊሶም ኣኽናፎም ልዕል ኣቢሎም ይዘርግሑ፡ ነቲ መኽደን መተዓረቒ ድማ በኽናፎም ይኸውልዎ። ገጽ እቶም ኪሩቤል ናብቲ መኽደን መተዓረቒ የብል። 21ነቲ መኽደን መተዓረቒ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ታቦት ግበሮ። እቲ ኣነ ዝህበካ ምስክር ከኣ ኣብቲ ታቦት ኣንብሮ። 22ኣብኡ ድማ ንኣኻ ኽግለጸልካ እየ፡ ካብቲ መኽደን መተዓረቒ ኻብ መንጎ እቶም ኣብ ልዕሊ ታቦት ምስክር ዘለው ኽልተ ኪሩቤል እቲ ንደቂ እስራኤል ኢለ ዝእዝዘካ ዅሉ ኽነግረካ እየ። 
   23ሰደቓ ድማ ካብ ዕጨይቲ ሽጢም ግበር፡ ምንዋሑ ኽልተ እመት ምግፋሑ ኸኣ ሓደ እመት ምብራኹውን እመትን ፈረቓን ይኹን። 24ብጽሩይ ወርቂ ለብጦ፡ ብዙርያኡ ኸኣ ኣኽሊል ወርቂ ግበረሉ። 25ዙርያኡ ድማ ጋት ዝምግፋሑ ኽቡስ ግበረሉ፡ ነቲ ኽቡስ ከኣ ኣብ ዙርያኡ ኣኽሊል ወርቂ ግበረሉ። 26ኣርባዕተ ቐለቤት ወርቂ ድማ ግበረሉ፡ ነቲ ቐላብቲ ኸኣ ኣብቲ ኣርባዕተ እግሪ ዘለዎ ኣርባዕተ መኣዝኑ ግበሮ። 27እቲ ቐላብቲ ድማ፡ ንምጽዋር እቲ ሰደቓ መሰላታት ክኣትዎ፡ ኣብ ጥቓ እቲ ኽቡስ ይኹን። 28እቲ ሰደቃ ብእኡ ኽጽወርሲ፡ መሰላታት ካብ ዕጨይቲ ሽጢም ግበር እሞ ብወርቒ ለብጦ። 29ድማ ዝኽዕዉሉ ጻሕልታቱን ጭሐሎታቱን ኵስኵስትታቱን ጽዋኣቱን ግበር፡ ካብ ጽሩይ ወርቂ ግበሮ። 30ኣብቲ ሰደቓ ድማ ወርትግ እንጌራ ምርኣይ ኣብ ቅድመይ ተንብር። 
   31ቀዋሚ ቐንዴል ድማ ካብ ጽሩይ ወርቂ ግበር። እቲ ቐዋሚ ቀንዴል ምስ እግሩን ዘንጉን ብምቕጥቃጥ ይገበር። ጽውኣቱን ከበብቱን ዕምባባታቱን ምስኡ ብሓደ ይኹን። 32ካብ ጎቦታቱ ሹድሽተ ጨንፈር ይውጻእ፡ ካብቲ ቐዋሚ ቐንዴል ብሓደ ጎቦኡ ሰለስተ ጨንፈር፡ ካብቲ ቐዋሚ ቐንዴል ብኻልኣይ ጎቦኡ ድማ ሰለስተ ጨንፈር ይውጻእ። 33ኣብ ሓደ ጨንፈር ዕምባባ ለውዚዝመስል ሰለስተ ጽዋእ መምስ ክበብን ዕምባባን፡ ኣብቲ ካልኣይ ጨንፈር ድማ ከምኡ ዕምባባ ለውዚዝመስል ሰለስተ ጽዋእ መምስ ክበብን ዕንባባን። ነቲ ኻብቲ ቀዋሚ ቐንዴል ዝወጽእ ሹድሽተ ጨንፈር ከምኡ ይገበሮ። 34ኣብቲ ቐዋሚ ቐንዴል ከኣ ዕምባባ ለውዚዝመስል ኣርባዕተ ጽዋእ መምስ ክበብን ዕምባባን ይገበሮ። 35ኣብ ትሕቲ እቲ ካብኡ ዝወጽእ ክልተ ጨንፈር ክበብ፡ ድማ ኣብ ትሕቲ እቲ ካብኡ ዝወጽእ ክልተ ጨንፈር ክበብ፡ ድማ ኣብ ትሕቲ እቲ ኻብኡ ዝወጽእ ክልተ ጨንፈር ክበብ፡ እሞ ነቲ ኻብ ቀዋሚ ቐንዴል ዝወጽእ ሹድሽተ ጨንፈር ከምኡ ይኹን። 36ከበብቱን ጨናፍሩን ምስኡ ብሓደ ይኹን፡ ኵሉ ኻብ ጽሩይ ወርቂ ብምቕጥቃጥ ብሓደ እተሰርሐ ይኹን። 37ንእኡ ድማ ሾብዓተ ቕልዒ ቐንዴል ስርሓሉ። እቲ ቕልዒ ቐንዴል ከኣ ንቕድሚት ኣቢሉ ከም ዘብርህ ኣብ ልዕሊኡ ይነበር፡ 38መሳቐይኡን መዋህለል ርስሓቱን ከኣ ካብ ጽሩይ ወርቂ ይኹን። 39ንሱ፡ ምስ እዚ ዅሉ ኣቓሑ እዚ፡ ብሓደ ታለንት ጽሩይ ወርቂ ይገበር። 40ከምቲ ኣብቲ ኸረን እተራእየካ ምስልታቱ ኽትገብሮ ኸኣ ጠምቶ።

        ዘጸኣት  ምዕራፍ 26  

   1ብዓሰርተ ዓለባታት ማሕደር ግበር። ምስ ናይ ብብልሓት ፈላጥ እተገብረ ኪሩቤል ጌርካ፡ ካብ እተፋሕሰ ልሕጺ እንጣጢዕን ሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን ግበሮ። 2ምንዋሕ እቲ ሓደ ዓለባ ዕስራን ሾሞንተን እመት፡ ወርዲ እቲ ሓደ ዓለባ ኸኣ ኣርባዕተ እመት ይኹን። ስፍሪ ዅሉ እቲ ዓለባታት ማዕረ ይኹን። 3እቲ ሓሙሽተ ዓለባታት ብሓደ ይጋጠም፡ ከምኡ ኸኣ እቲ ሓሙሽተ ዓለባታት ብሓደ ይጋጠም። 4ኣብቲ ብሓደ እተጋጠመ ኣብ ጥርዚ እቲ ወሰናይ ዓለባ ብሰማያዊ ፈትሊ መኸንትቦታት ግበር። ኣብቲ ኻልኣይ እተጋጠመ ኣብ ጥርዚ እቲ ወሰናይ ዓለባ ኸኣ ከምኡ ግበር። 5ኣብቲ ሓደ ዓለባ ሓምሳ መኸንትቦ ግበር። ኣብቲ ኻልኣይ እተጋጠመ ኸኣ፡ ኣብ ጥርዚ እቲ ወሰናይ ዓለባ ሓምሳ መኸንትቦ ግበር። እቲ መኸንትቦታት ንሓድሕዱ መጣምቲ ይኹን። 6ሓምሳ መቘለፊ ወርቂ ድማ ግበር። እቲ ማሕደር ሓደ ክኸውንሲ፡ ነቲ ዓለባታት በቲ ኣቝላፍ ንሓድሕዱ ኣጋጥሞ።
   7ኣብ ልዕሊ እቲ ማሕደር ዝድረብ ድማ ካብ ጸጉሪ ጤል ዓለባታት ግበር። እቲ ዓለባታት ከኣ ዓሰርተው ሓደ ግበሮ። 8ምንዋሕ ሓደ ዓለባ ሰላሳ እመት፡ ወርዱ ኸኣ ኣርባዕተ እመት ይኹን። እቲ ዓሰርተው ሓደ ዓለባ ስፍሩ ማዕረ ይኹን። 9ሓሙሽተ ኻብቲ ዓለባ ብሓደ ጌርካ ኣጋጥሞ። ከምኡ ከኣ እቲ ሹድሽተ ዓለባ ብሓደ ይኹን። እቲ ሳድሳይ ዓለባ ብሸነኽ ቅድሚት እቲ ድንኳን ደርቦ። 10ኣብቲ ሓደ እተጋጠመ፡ ኣብ ጥርዚ እቲ ወሰናይ ዓለባ ሓምሳ መኸንትቦ ግበር። ኣብቲ ኻልኣይ እተጋጠመ ድማ ኣብ ጥርዚ እቲ ወሰናይ ዓለባ ሓምሳ መኸንትቦ ግበር። 11ካብ ኣስራዚ ኸኣ ሓምሳ መቘለፊ ግበር፡ ነቲ ኣቝላፍ ናብቲ መኸንትቦታት ኣእትዎ፡ እቲ መደረብታ ሓደ ክኸውን ኣጋጥሞ። 12ካብቲ ናይ መደረብታ ዓለባታት ድንኳን ዝተረፈ ሕልፊ ፈርቓ እቲ ዝሓለፈ ዓለባ ብድሕርቲ ማሕደር ይጀርበብ። 13እቲ ኻብ ምንዋሕ ናይቲ መደረብታ ዓለባታት ድንኳን ዝሓለፈ፡ ምእንቲ ክኸድኖ፡ ብኽልተ ሸነኹ፡ እመት በዚ እመት በቲ፡ ነቲ ማሕደር በዝን በትን ይጀርበብ። 14ነቲ መደረብታ ኸኣ ካብ እተቐርጸ ቘራብቲ ደዓውል መኽደን ግበረሉ። ኣብ ልዕሊኡ ድማ ካብ ቈርበት ታሃስ መኽደን ግበር። 
   15ነቲ ማሕደር ድማ ደው ዝብል ኣልዋሕ ካብ ዕጨይቲ ሽጢም ግበረሉ። 16ምንዋሕ ሓደ ሉሕ ዓሰርተ እመት፡ ምግፋሕ ሓደ ሉሕ ከኣ እመትን ፈረቓን ይኹን። 17ነንሓደ ሉሕ ከክልተ ንሓድሕዱ እተጋጠመ ሸኻል ይገበሮ። ንዅሉ ኣልዋሕ እቲ ማሕደር ከምኡ ግበሮ። 18ነቲ ማሕደር ከኣ ኣልዋሕ ግበርሉ፥ ዕስራ ሉሕ ብሸነኽ ደቡብ ግበር። 19ኣብ ትሕቲ እቲ ዕስራ ሉሕ ድማ ካብ ብሩር ኣርብዓ እግሪ ግበር፡ ኣብ ትሕቲ ሓደ ሉሕ ነቲ ኽልተ ሸኻል ክልተ እግሪ፡ ኣብ ትሕቲ እቲ ኻልእ ሉሕ ከኣ ነቲ ኽልተ ሸኻል ክልተ እግሪ ግበረሉ። 20በቲ ኻልኣይ ወገን ነቲ ማሕደር ብሸነኽ ሰሜን ድማ ዕስራ ሉሕ፡ 21እቲ ኣርብዓ ናይ ብሩር እግሩ ኸኣ፡ ኣብ ትሕቲ ሓደ ሉሕ ክልተ እግሪ፡ ኣብ ትሕቲ እቲ ኻልእ ሉሕ ድማ ክልተ እግሪ ግበር። 22ብድሕሪ እቲ ማሕደር ብሸነኽ ምዕራቡ ሹድሽተ ሉሕ ግበር። 23ነቲ ማሕደር ብሸነኽ ድሕሪኡ ድማ ንመኣዝኑ ኽልተ ሉሕ ግበረሉ። 24እዚ ኻብ ታሕቲ ጀሚሩ ድርብ ይኹን፡ ክሳዕ ላዕሊ ክሳዕ እቲ ቐዳማይ ቀለቤት ብምሉኡ ኸምኡ ይኹን። ክልቲኡ ኸምኡ ይኹን። ኣብ ክልቲኡ መኣዝን ይኹን። 25እቲ ኣልዋሕ ሸሞንተ፡ እቲ ናይ ብሩር ኣእጋሩ ኸኣ ዓሰርተው ሽዱሽተ እግሪ፡ ኣብ ትሕቲ ሓደ ሉሕ ክልተ እግሪ፡ ኣብ ትሕቲ እቲ ኻልእ ሉሕ ድማ ክልተ እግሪ ይኹን። 26ጋድማት ከኣ ካብ ዕጨይቲ ሽጢም ግበር፥ ብሓደ ሸነኽ እቲ ማሕደር ንዘሎ ኣልዋሕ ሓሙሽተ፡ 27ብኻልኣይ ሸነኽ ኣቲ ማሕደር ንዘሎ ኣልዋሕ ድማ ሓሙሽተ ጋድም፡ ብድሕሪ እቲ ማሕደር ብሸነኽ ምዕራብ ንዘሎ ኣልዋሕ ከኣ ሓሙሽተ ጋድም ግበር። 28እቲ ኣብ ማእከል እቲ ኣልዋሕ ዘሎ ማእከላይ ጋድም ካብቲ ሓደ ወሰን ክሳዕ እቲ ኻልኣይ ወሰን ይሕለፍ። 29ነቲ ኣልዋሕ ድማ ብወርቂ ለብጦ፡ እቲ ጋድማት ዝኣተዎ ቐላብቱ ኸኣ ካብ ወርቂ ግበሮ። ነቲ ጋድማትውን ብወርቂ ለብጦ። 30ነቲ ማሕደር ከምቲ ኣብቲ ኸረን ዝረአኻዮ ኣሰራርሓኡ ጌርካ ኽትተኽሎ ኢኻ።
   31ድማ ሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን እተፋሕሰ ልሕጺ እንጣጢዕን ጌርካ፡ መጋረጃ ግበር፡ ምስ ብብልሓት ኣተገብረ ኪሩቤል ይገበር። 32ብወርቂ ኣብ እተለበጠ መሰቓቐሊ ወርቂ ዘለዎ፡ በርባዕተ እግሪ ብሩር ደው ዝበለ፡ ኣርባዕተ ዓንዲ ሽጢም ጌርካ ስቐሎ። 33ነቲ መጋረጃ ኸኣ ኣብ ትሕቲ እቲ ኣቝላፍ ስቐሎ፡ ነቲ ታቦት ምስክር ድማ ናብ ውሽጢ እቲ መጋረጃ ኣእትዎ። እቲ መጋረጃ ኸኣ ኣብ መንጎ ቅድስትን ቅድስተ ቅዱሳንን ይፍለየልኩም። 34ነቲ መኽደን መተዓረቒ ድማ ኣብቲ ቅድስተ ቅዱሳን ኣብ ልዕልሊ ታቦት ምስክር ግበሮ፡ 35ነቲ ሰደቓ ከኣ ኣብ ወጻኢ መጋረጃ ኣንብሮ፡ ነቲ ቐዋሚ ቐንዴል ድማ ኣብ መንጽር ሰደቓ፡ ነቲ ማሕደር ብሸነኽ ደቡቡ፡ ነቲ ሰደቓ ኸኣ ብሸነኽ ሰሜኑ ግበሮ። 36ነቲ ኣፍ ድንኳን ድማ ብሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን እተፋሕሰ ልሕጺ እንጣጢዕን ብምጥላፍ እትዓየ መጋረጃ ግበር። 37ነቲ መጋረጃ ኸኣ ሓሙሽተ ዓንዲ ሽጢም ግበረሉ ብወርቂ ድማ ለብጦ፡ መሰቓቐሊኡ ኸኣ ካብ ወርቂ ይኹን። ካብ ኣስራዚ ድማ ሓሙሽተ እግሪ ብፍሲ ግበረሉ።

        ዘጸኣት  ምዕራፍ 27       

   1መሰውኢ ድማ ካብ ዕጨይቲ ሽጢም ሓሙሽተ እመት ዝምንዋሑ፡ ሓሙሽተ እመት ዝምግፋሑ ግበር።እቲ መሰውኢ ኣርባዕቲኡ መኣዝኑ ማዕረ፡ ምብራኹ ድማ ሰለስተ እመት ይኹን። 2ኣቕርንቱ ከኣ ኣብ ኣርባዕተ መኣዝኑ ግበረሉ፡ እቲ ኣቕርንቱ ምስኡ ብሓደ እተገብረ ይኹን፡ በስራዚ ኸኣ ለብጦ። 3ንሓመዅስቱ ዝኸውን ቍራዕን፡ መጽሓርያኡን ጭሐሎኡን መውግእ ስጋኡን ምድጃኡን ግበር፡ እዚ ዅሉ ኣቓሑኡ ኻብ ኣስራዚ ግበሮ። 4ካብ ኣስራዚ ኸም መንፊት ዝበለ መጋረዲ ግበረሉ፡ ነቲ መንፊት ከኣ ኣብ ኣርባዕተ መኣዝኑ ኣርባዕተ ቐለቤት ኣስራዚ ግበረሉ። 5ንእኡ ድማ ኣብ ትሕቲ ኣርከን መሰውኢ ግበሮ፡ እቲ መንፊት ካብ ታሕቲ ኽሳዕ ፈረቓ መሰውኢ ይብጻሕ። 6ነቲ መሰውኢ ድማ መሰላታት ግበረሉ፡ ካብ ዕጨይቲ ሽጢም መሰላታት ጌርካ በስራዚ ለብጦ። 7እቲ መሰውኢ ምስ ዝጽወር፡ እቲ መሰላታት ከኣ ብኽልተ ሸነኹ ክኸውን፡ ናብቲ ቐላብቲ ይእቶ። 8ጓንጓ ጌርካ ኻብ ሉሕ ግበሮ። ከምቲ ኣብ ከረን እተራእየካ ከምኡ ይግበርዎ።
   9ነቲ ማሕደር ኣጸድ ግበረሉ፡ ነቲ ኣጸድ ብሸነኽ ደቡቡ ነቲ ሓደ ወገኑ፡ ብእተፋሕሰ ልሕጺ እንጣጢዕ ሚእቲ እመት ዝምንዋሑ መጋረጃታት ግበር። 10ኣዕኑድ ድማ ዕስራ፡ ኣእጋሩውን ካብ ኣስራዚ ዕስራ፡ ናይቲ ኣዕኑድ መሰቓቐልን ኣዛንጉን ከኣ ካብ ብሩር ይኹን። 11ከምኡ ድማ በቲ ነዊሕ ሸነኽ ሰሜን ሚእቲ እመት ዝምንዋሑ መጋረጃታት፡ ኣዕኑድ ኸኣ ዕስራ፡ ኣእጋሩውን ካብ ኣስራዚ ዕስራ፡ ናይቲ ኣዕኑድ መሰቓቐልን ኣዛንጉን ከኣ ካብ ብሩር ይኹን። 12ብወርዱ ነቲ ኣጸድ ብሸነኽ ምዕራብ ድማ ሓምሳ እመት ዝምንዋሑ መጋረጃታት፡ ኣዕኑድ ከኣ ዓሰርተ፡ ኣእጋሩውን ዓሰርተ ይኹን። 13ምግፋሕ እቲ ኣጸድ ብቕድሚት ብሸነኽ ምብራቕ ድማ ሓምሳ እመት ይኹን፡ 14ናይቲ ሓደ ሸነኽ መጋረጃታት ዓሰርተው ሓሙሽተ እመት፡ ኣዕኑድ ሰለስተ፡ ኣእጋሩ ኸኣ ሰለስተ ይኹን። 15በቲ ኻልኣይ ሸነኽ ድማ ዓሰርተው ሓሙሽተ እመት ዝምንዋሑ መጋረጃታት፡ ኣዕኑድ ሰለስተ ኣእጋሩ ከኣ ሰለስተ ይኹን። 16ንኣፍ እቲ ኣጸድ ድማ ካብ ሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን እተፋሕሰ ልሕጺ እንጣጢዕን ብምጥላፍ እተዓየ ዕስራ እመት መጋረጃ፡ ኣዕኑድ ኣርባዕተ ኣእጋሩ ኸኣ ኣርባዕተ ይኹን። 17ነቲ ኣብ ዙርያ ኣጸድ ዘሎ ዅሉ ኣዕኑድ ኣዛንግ ብሩርን መሰቓቐሊ ብሩርን ይገበሮ፡ ኣእጋሩ ኸኣ ካብ ኣስራዚ ይኹን። 18ምንዋሕ እቲ ኣጸድ ሚእቲ እመት፡ ምግፋሑ ኸኣ ብኽልቲኡ ሸነኽ ሓምሳ እመት፡ ቍመቱ ድማ ሓሙሽተ እመት ይኹን፡ ካብ እተፋሕሰ ልሕጺ እንጣጢዕ ኣእጋሩ ኸኣ ካብ ኣስራዚ ይኹን። 19ኵሉ ኣቓሑ እቲ ማሕደርን ንመተዓየዪኡ ዝኸውን ኵሉን፡ ኵሉ ሸኻውልቲ ኣጸድን ካብ ኣስራዚ ይኹን። 
   20ንስኻ ድማ፡ እቲ መብራህትታት ወርትግ ምእንቲ ኽበርህሲ፡ ካብ እተጐድአ ኣውልዕ ንመብራህቲ ዝኸውን ጽሩይ ዘይቲ ኸምጽኡልካ፡ ንደቂ እስራኤል ኣዝዞም። 21ኣብቲ ድንኳን ምርኻብ ብወጻኢ እቲ ኣብ ቅድሚ ምስክር ዘሎ መጋረጃ፡ ኣሮንን ደቁን፡ ካብ ምሸት ክሳዕ ብጊሓት፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የዳልውዎ። ኣብ ደቂ እስራኤል ከኣ ንውሉድ ወለዶኦም ሕጊ ዘለኣለም ይኹን።

        ዘጸኣት  ምዕራፍ 28     

   1ንስኻ ከኣ ንሓውካ ኣሮን፡ ደቁ ድማ ምስኡ፡ ኣሮን ደቂ ኣሮን ከኣ፡ ናዳብን ኣቢሁን ኣልኣዛርን ኢታማርን፡ ካህናት ክኰኑኒ፡ ካብ ማእከል ደቂ እስራኤል ናባኻ ኣቕርቦም። 2ንኣሮን ሓውካ ድማ ንኽብርን ንጌጽን ዝኸውን ቅዱሳት ኣልባስ ግበረሉ። 3ንስኻ ድማ ነቶም መንፈስ ጥበብ ዝመላእክዎም፡ ብልቦም ፈላጣት ዝዀኑ ዅሎም ንኣሮን፡ ካህነይ ንምዃን ክቕደስ፡ ኣልባስ ክገብሩሉ ንገሮም። 4-5እቲ ዝገብርዎ ኣልባስ ከኣ እዚ ኣዩ፡ ሳንቃ ኣፍ ልብን ኤፎድን ቀሚሽ ላዕልን ዓንጥዓንጦራይ ቀሚሽ ታሕትን መጠምጠምያን ቅናትን፡ እሞ ካህነይ ክኸውንሲ፡ ንሳቶም ወርቅን ሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን ልሕጺ እንጣጢዕን ወሲዶም፡ ንሓውካ ኣሮንን ንደቁን ቅዱስ ኣልባስ ይግበሩሎም። 
   6ነቲ ኤፎድ ካብ ወርቅን ሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን እተፋሕሰ ልሕጺ እንጣጢዕን ገይሮም ብብልሓት ይግበርዎ። 7ንምግጣሙ ብኽልተ ወሰኑ ኽልተ እተጋጠመ ኽፍሊ መንኩብ ይሃልዎ። 8እቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝኸውን ብብልሓት እተገበረ ዝዕጠቑሉ ቕናት ከኣ ምስኡ ብሓደ እተጋጠመ፡ ሓደ ዓይነት ዝስራሑ፡ ካብ ወርቅን ሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን እተፋሕሰ ልሕጺ እንጣጢዕን ይኹን። 9ክልተ እምኒ ኦኒክስ ውሰድ እሞ ስም ደቂ እስራኤል ቅረጸሉ። 10ሽድሽተ ኻብ ስሞም ኣብቲ ሓደ እምኒ፡ እቶም ዝተረፉ ሹድሽተ ስም ድማ ከከም ምላዶም ጌርካ ኣብቲ ኻልኣይ እምኒ ቕረጽ። 11ቀራጽ እምኒ ማሕተም ከም ዝቐርጽ፡ ከምኡ ኣብ ክልቲኡ እምኒ ስም ደቂ እስራኤል ቅረጽ። ዝሕዞ ኸኣ ትትዖ ወርቂ ኣዙረሉ። 12ነቲ ኽልተ ኣእማን ድማ፡ ንደቂ እስራኤል ኣእማን መዘከርታ ክኸውን፡ ኣብቲ መናኹብ ኤፎድ ግበሮ። ኣሮን ከኣ ኣብ ክልቲኡ መንኵቡ ስሞም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንመዘከርታ ይጹሮ። 13ትትዖ ወርቂ ድማ ግበር። 14ካብ ጽሩይ ወርቂ ኸኣ ከም ገመድ ብምጥዋይ እተገብረ ኽልተ ሰንሰለት ግበር፡ ነቲ እተጠውየ ሰንሰለት ምስቲ ትትዖ ግበሮ። 
   15ብብልሓት እተገበረ ናይ ፍርዲ ሳንቃ ኣፍ ልቢ ኸኣ ግበር። ከም ስራሕ ኤፎድ፥ ካብ ወርቅን ካብ ሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን እተፋሕሰ ልሕጺ እንጣጢዕ ግበሮ። 16ኣርባዕተ መኣዝኑ ማዕረ፡ ድርብ ድማ ይኹን። ምንዋሑ ስድሪ፡ ወርዱ ኸኣ ስድሪ ይኹን። 17ዝዛነቕ ኣእማን፡ ኣርባዕተ መስርዕ ኣእማን ኣጥብቐሉ። ኣብ ቀዳማይ መስርዕ፡ ሳርድዮን፡ ቶጳዚዮን፡ ስመራግዶስ፡ 18ኣብ ካልኣይ መስርዕ ከኣ፡ ሰመንጉኒ፡ ሰፊሮስ፡ ኣልማዝ። 19ኣብ ሳልሳይ መስርዕ ድማ፡ ህያክንቶስ፡ ኣካት፡ ኣሜቲስጦስ። 20ኣብ ራብዓይ መስርዕ ከኣ፡ ክሪሶሊትን ኦኒክስን ያስጲስን። ብትትዖ ወርቂ ተከቢቡ ይጥበቕ። 21እቲ ኣእማን ድማ ከምቲ ስም ደቂ እስራኤል ዓሰርተው ክልተ፡ ከምቲ ስሞም ይኹን። ነቶም ዓሰርተው ክልተ ነገድ፡ ነፍሲ ወከፍ በብስሙ ኸም ቅርጺ ማሕተም ይኹን። 22ኣብ ሳንቃ ኣፍ ልቢ ድማ ካብ ጽሩይ ወርቂ ኸም ገመድ ብምጥዋይ እተገበረ ሰንሰለታት ግበሮ። 23ድማ ኣብ ሳንቃ ኣፍ ልቢ ኽልተ ቐለቤት ወርቂ ግበር፡ እቲ ኽልተ ቐለቤት ከኣ ኣብ ክልተ መኣዝን ሳንቃ ኣፍ ልቢ ግበሮ። 24ንኽልቲኡ እተጠውየ ሰንሰለት ወርቂ ኸኣ ኣብቲ ኣብ መኣዝን ሳንቃ ኣፍ ልቢ ዘሎ ኽልተ ቐለቤት ግበሮ። 25ንኽልቲኡ ኻልእ ኣምፊ እተጠውየ ሰንሰለት ከኣ ምስ ክልቲኡ ትትዖ ኣተሓሒዝካ ኣብቲ መንኩብ ኤፎድ ብሸነኽ ቅድሚት ግበሮ። 26ክልተ ቐለቤት ድማ ካብ ወርቂ ግበር እሞ ኣብቲ ኽልተ ወሰን ሳንቃ ኣፍ ልቢ ናብ ሸንኽ ኤፎድ ዘሎ ውሽጣዊ ጥርዚ ግበር። 27ክልተ ቐለቤት ወርቂ ድማ ስራሕ እሞ ኣብ ክልቲኡ መንኩብ ኤፎድ ታሕቲ ብሸነኽ ቅድሚት፡ ኣብ ጥቓ እቲ ዝጋጠመሉ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ብብልሓት እተገበረ ቕናት ኤፎድ ግበሮ። 28እቲ ሳንቃ ኣፍ ልቢ ኻብ ኤፎድ ከይፍለ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ብብልሓት እተገብረ ቕናት ኤፎድ ክኸውን፡ ነቲ ቐላብቲ ሳንቃ ኣፍ ልቢ ምስቲ ቐላብቲ ኤፎድ ብሰማያዊ ፍሕሶ ይተኣሰር። 29ኣሮን ናብ መቕደስ ምስ ዝኣቱ፡ ነቲ ስም ደቂ እስራኤል ኣብቲ ናይ ፍርዲ ሳንቃ ኣፍ ልቢ ገይሩ፡ ወርትግ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንመዘከርታ ክኸውን፡ ኣብ ልዕሊ ልቡ ይጹሮ። 30ንኡሪምን ቱሚምን ድማ ኣብ ናይ ፍርዲ ሳንቃ ኣፍ ልቢ ግበሮ። ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ምስ ዝኣቱ ኣብ ልዕሊ ልቢ ኣሮን ይኹን፡ ኣሮን ከኣ ንፍርዲ ደቂ እስራኤል ወርትግ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ልቡ ይጹሮ። 
   31ናይ ኤፎድ ቀምሽ ላዕሊ ኵለንትናኡ ኻብ ሰማያዊ ግበሮ። 32ኣብ ማእከሉ ድማ ንርእሲ ዘሕልፍ ኣፍ ይሃልዎ። እቲ ኣፍ ምእንቲ ኸይቅደድ፡ ኣብ ዙርያኡ ኸምቲ ድርዒ እተኣልመ መኽፈፊ ይሃልዎ። 33ኣብ ዙርያ ታሕታይ ዘፈሩ ኸኣ ካብ ሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን ሮማን ግበረሉ። ኣብ መንጎአን ድማ ኣብ ዙርያኡ፡ ቃጽል ወርቂ ግበረሉ። 34እሞ ኣብ ዘፈር እቲ ቐምሽ ኣብ ዙርያኡ ቃጽል ወርቅን ሮማንን፡ ቃጽል ወርቅን ሮማንን ይኹን። 35ኣሮን ኣብ መቕደስ፡ ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄርክኣቱ ኸሎን ክወጽእ ከሎን ምእንቲ ኸይመውት፡ ክስማዕሲ ከገልግል ከሎ ይከደኖ። 36ካብ ጽሩይ ወርቂ ድማ ብሊቃ ግበር፡ ኣብኡ ኸኣ ከም ቅርጺ ማሕተም ጌርካ፥ ንእግዚኣብሄር እተቐደሰ፡ ዝብል ቅረጽሉ። 
   37ብሰማያዊ ፍሕሶ ጌርካ ኣብ መጠምጠምያ ኣጥብቆ። ኣብቲ መጠምጠምያ ኸኣ ብሸነኽ ቅድሚት ይኹን። 38ኣብ ግምባር ኣሮን ይኹን፡ ኣሮን ድማ እቲ ደቂ እስራኤል ዘቕርብዎ ዅሉ ቅዱስ ህያብ ናይቲ ቅዱስ ህያቦም በደል ይጹር። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሞገስ ክዀነሎምሲ፡ ወርትግ ኣብ ግምባሩ ይኹን። 
   39ዓንጥዓንጦራይ ቀምሽ ታሕቲ ኸኣ ካብ ልሕጺ እንጣጢዕ እለም። መጠምጠምያ ድማ ካብ ልሕጺ እንጣጢዕ ግበር። እተጠልፈ ቕናትውን ግበር። 40ንደቂ ኣሮን ድማ ቀመውሽ ግበረሎም፡ ቅናውቲውን ግበረሎም። ንኽብርን ንጌጽን ከኣ መጠምጠምያታት ግበረሎም። 41እዚ ንኣሮን ሓውካን ንደቁ ኸኣ ምስኡን ክደኖም፡ ቅብኣዮም ድማ፡ ኣእዳዎምውን ምልኣሎም፡ ካህናት ክዀኑኒ ኸኣ ቀድሶም። 42ንሕፍረቶም ዝኸድን ስረ ድማ ካብ ልሕጺ እንጣጢዕ ግበረሎም፡ ካብ ሕቝኦም ክሳዕ ብርኮም ዝበጽሕ ይኹን። 43ኣሮንን ደቁን ከይብድሉ እሞ ከይሞቱ፡ ናብ ድንኳን ምርኻብ ክኣትዉ ኸለዉ፡ ወይ ኣብ መቕደስ ከገልግሉ ናብ መሰውኢ ክቐርቡ ኸለዉ፡ ይዕጠቕዎ። እዚ ንእኡ፡ ብድሕሪኡ ኸኣ ንዘርኡ ሕጊ ዘለኣለም ይኹን።

        ዘጸኣት  ምዕራፍ 29 

   1ካህናተይ ክዀኑኒ ኽትቅድሶም ከሎኻ እትገብረሎም ነገር እዚ እዩ፥ ሓደ ዝራብዕን ጐደሎ ዘይብሎም ክልተ ድዑልን ውሰድ፡ 2ዘይበዅዐ እንጌራን ብዘይቲ እተቘምጥዐ ቕጫታትን፡ ዘይቲ እተለኽየ ረቂቕ ቅጫታትን ድማ ውሰድ ካብ ድኹም ሓርጭ ስርናይ ግበሮ። 3ኣብ ሓደ መሶብ ኣንብሮ፡ በቲ መሶብ ጌርካ ምስቲ ዝራብዕን ምስቶም ክልተ ድዑልን ጌርካ ኣቕርቦ። 4ንኣሮንን ንደቁን ናብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብ ኣቕርቦም፡ ብማይ ድማ ሕጸቦም። 5ነቲ ኣልባሳት ወሲድካ ድማ፡ ንኣሮን ቀምሽ ታሕትን ናይ ኤፎድ ቀምሽ ላዕልን፡ ኤፎድ ሳንቃ ኣፍ ልብን ክደኖ። በቲ ብብልሓት እተገበረ ቅናት ኤፎድ ጌርካ ኸኣ ኣዕጥቆ። 6ኣብ ርእሱ ድማ መጠምተምያ ግበረሉ፡ ነቲ ቅዱስ ኣኽሊል ከኣ ኣብ ልዕሊ እቲ መጠምጠምያ ግበሮ። 7ዝቕባእ ዘይቲ ወሲድካ ድማ ናብ ርእሱ ዅዒኻ ቅብኣዮ። 8ንደቁ ኸኣ ኣቕርቦም እሞ፡ ቀመውሽ ታሕቲ ኽደኖም። 9ንኣሮንን ንደቁን ድማ ብቕናት ኣዕጥቆም፡ መጠምጠምያውን ግበረሎም። እቲ ኽህነት ከኣ ንኣታቶም ናይ ዘለኣለም ሕጊ ይኹን። ንኣሮንን ንደቁን ከኣ ትቕድሶም። 
   10ነቲ ዝራብዕ ድማ ናብ ቅድሚ ድንኳን ምርኻብ ኣቕርቦ፡ ኣሮንን ደቁን ከኣ ኣእዳዎም ኣብ ርእሲ እቲ ዝራብዕ የንብሩ። 11ነቲ ዝራብዕ ከኣ ኣብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሕረዶ። 12ካብ ደም እቲ ዝራብዕ ወሲድካ ድማ በጻብዕካ ነቲ ኣቕርንቲ መሰውኢ ልኸዮ፡ ንኵሉ እቲ ደም ከኣ ኣብ እግሪ እቲ መሰውኢ ኽዓዎ። 13ነቲ ናውቲ ኸብዲ ዘጐልብብ ቋንጡጥን ኣብ ልዕሊ ኸብዲ ዘሎ ስብሕን ንኽልቲኡ ዅሊትን ኣብ ልዕሉኡ ዘሎ ስብሕን፡ ንዅሉ ወሲድካ ኣብ መሰውኢ ኣሕርሮ። 14ናይቲ ዝራብዕ ስጋን ቈርበትን ፈርስን ግና፡ መስዋእቲ ሓጢያት እዩ እሞ፡ ኣብ ወጻኢ ሰፈር ብሓዊ ኣንድዶ።
   15ነቲ ሓደ ድዑል ወሲድካ ድማ፡ ኣሮንን ደቁን ኣእዳዎም ኣብ ርእሲ እቲ ድዑል የንብሩ። 16ነቲ ድዑል ከኣ ሕረዶ፡ ነቲ ደሙውን ኣብ ልዕሊ መሰውኢ ኣብ ዙርያኡ ንጸጎ። 17ነቲ ድዑል ድማ በብብልዕቱ ቘራርጾ፡ ነቲ ናውቲ ኸብድን ኣእጋሩን ከኣ ሓጺብካ ኣብ ልዕሊ እቲ እተቘራረጸ ስጋኡን ርእሱን ኣንብሮ። 18ነቲ ድዑል ድማ ብዘሎ ኣብ መሰውኢ ኣሕርሮ። ንሱ ንእግዚኣብሄርዝሓርር መስዋእቲ እዩ፡ ንሱ ንእግዚኣብሄር ጥዑም ጨና፡ መስዋእቲ ሓዊ እዩ።
   19ነቲ ኻልኣይ ድዑል ወሲድካ ድማ፡ ኣሮንን ደቁን ኣእዳዎም ኣብ ርእሲ እቲ ድዑል የንብሩ። 20ነቲ ድዑል ከኣ ሕረዶ፡ ካብ ደሙ ወስዲካ ድማ ኣብ ወሰን የማነይቲ እዝኒ ኣሮንን ኣብ ወሰን የማኖት ኣእዛን ደቁን ኣብ የማኖት ዓበይቶ ኣእዳዎምን የማኖት ዓበይቶ ኣእጋሮምን ልኸ። ነቲ ደም ከኣ ኣብ ልዕሊ እቲ መሰውኢ ኣብ ዙርያኡ ንጸጎ። 21ካብቲ ኣብ መሰውኢ ዘሎ ደምን ካብቲ ዘይቲ መቕብእን ወሲድካ ድማ ኣብ ኣሮንን ኣብ ኣልባሱን፡ ኣብ ደቁን ኣብ ኣልባስ ደቁን ከኣ ምስኡ ንጸጎ። እሞ ንሱን ኣልባሱን ምስኡ ኸኣ ደቁን ኣልባስ ደቁን ይቕደሱ። 22ድዑል ምቕዳስ እዩ እሞ፡ ናይቲ ድዑል ስብሒ፡ ኰልኰልን እቲ ንናውቲ ኸብዲ ዝጕልብብ ቋንጡጥን ስብሒ ኸብድን ክልቲኡ ኵሊትን እቲ ኣብ ልዕሊኡ ዘሎ ስብሕን የማናይ እግርን ውሰድ። 23ካብቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዘሎ ዘይበዅዐእንጌራ ዘለዎ መሶብ ከኣ ሓደ ሕብስትን ሓደ ቕጫ እንጌራ ዘይትን ሓደ ረቂቕ ቅጫን ውሰድ። 24እዚ ዅሉ ድማ ኣብ ኣእዳው ኣሮንን ኣብ ኣእዳው ደቁን ኣንብሮ እሞ፡ ከም ዝውዝወዝ መስዋእቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርወዝውዞ። 25ካብ ኣእዳዎም ወሲድካ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንጥዑም ጨና ኣብ መሰውኢ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝሓርር መስዋእቲ ኣሕርሮ። እዚ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ሓዊ እዩ። 26ሓኸለ እቲ ድዑል ምቕዳስ ኣሮን ውሰድ እሞ ከም ዝውዝወዝ መስዋእቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርወዝውዞ። ንሱ ኸኣ ግዴኻ ይኹን። 27እቲ ንኣሮንን ንደቁን ዝግባእ፡ ነቲ ሓኸለ ዝውዝወዝ መስዋእቲ ነቲ ዝለዓል መስዋእቲ እግርን ናይቲ ድዑል ምቕዳስ፡ ዝውዝወዝን ዝለዓልን፡ ቀድስ። 28እዚዝለዓል መስዋእቲ እዩ እሞ፡ ካብ ደቂ እስራኤል ንኣሮንን ንደቁን ሕጊ ዘለኣለም ይኹን። እዚ ኻብቲ ደቂ እስራኤል ካብ ናይ ምስጋና መስዋእቶም ዝለዓል መስዋእቲ፡ ንእግዚኣብሄርዝለዓል መስዋእቶም ይኹን። 
   29እቲ ቅዱስ ኣልባስ ኣሮን ከኣ፡ ንሳቶም ብእኡ ክቕብኡ ብእኡ ድማ ክቕደሱ ብድሕሪኡ ንደቁ ይኹን። 30ካብ ደቁ እቲ ኣብ ስፍራኡ ኻህን ዝኸውን፡ እቲ ኣብ ድንኳን ምርኻብ ከግልግል ናብ መቕደስ ዝኣቱ፡ ሾብዓተ መዓልቲ ይልበሶ። 31ነቲ ድዑል ምቕዳስ ወሲድካ ድማ ስጋኡ ኣብ ቅዱስ ቦታ ኣብስሎ። 32ኣሮንን ደቁን ድማ ንስጋ እቲ ድዑልን ነቲ ኣብ መሶብ ዘሎ እንጌራን፡ ኣብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብ ኰይኖም፡ ይብልዕዎ። 33እዚ ብእኡ ምምላእ ኢዶምን ምቕዳሶምን ንመተዓረቒ እተገበረ ይብልዕዎ። ንሱ ቅዱስ እዩ እሞ፡ ካብኡ ጓና ኣይብላዕ። 34ካብቲ ስጋ ምቕዳስ ወይ ካብቲ እንጌራ ገለ ኽሳዕ ንጽብሒቱ እንተ ተረፈ፡ ነቲ ተረፍ ብሓዊ ኣንድዶ፡ ቅዱስ እዩ እሞ፡ ኣይበላዕ። 
   35ንኣሮንን ንደቁን ከምቲ ዝኣዘዝኩኻ እዚ ዅሉ ግበረሎም። ሾብዓተ መዓልቲ ትቕድሶም። 36ኣብ ጸጽባሕ ከኣ ንመተዓረቒ ዝኸውን ንመስዋእቲ ሓጢያት ሓደ ዝራብዕ ኣቕርብ። ነቲ መሰውኢ ኸኣ በቲ እትዕረቐሉ ኣጽርዮ፡ ክትቅድሶውን ልኸዮ። 37ነቲ መሰውኢ ሾብዓተ መዓልቲ ኣተዓርቆን ቀድሶን። እቲ መሰውኢ ቅዱስ ቅዱሳን ይኸውን፡ ነቲ መስውኢ ዝተንከዮ ዅሉ ክቕደስ እዩ። 
   38እቲ ኣብ መስውኢ እተቕርቦ ኸኣ እዚ እዩ፡ ወርትግ ኣብ ጸጽባሕ ክልተ ገንሸል ዓመት። 39እቲ ሓደ ገንሸል ብጊሓት ኣቕርቦ፡ እቲ ኻልኣይ ገንሸል ከኣ ምሸት ኣቕርቦ። 40ምስቲ ሓደ ገንሸል ብራብዓይ ክፍሊ ሂን ጕዱእ ዘይቲ ኣውልዕ እተለውሰ ዓስራይ ክፍሊ ኤፋ ድኹም ሓርጭ፡ ንመስዋእቲ መስተውን ራብዓይ ክፍሊ ሂን ወይኒ ኣቕርብ። 41ነቲ ኻልኣይ ገንሸል ድማ ከምቲ ናይ ብጊሓት መስዋእቲ ብልዕን ከምቲ መስዋእቲ መስተን ምስኡ ጌርካ ኣጋ ምሸት ኣቕርቦ። ንጥዑም ጨና፡ መስዋእቲ ሓዊ ንእግዚኣብሄር እዩ። 42እዚ ኣብቲ ኣነ ኽዛረበካ ምሳኹም ዝራኸበሉ፡ ኣብ ደገ ድንኳን ምርኻብ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ውሉድ ወለዶኹም ንወርትግ ዝሓርር መስዋእቲ እዩ። 43ኣብኡ ምስ ደቂ እስራኤል ክራኸብ እየ፡ እቲ ድንኳን ድማ ብኽብረይ ክቕደስ እዩ። 44ነቲ ድንኳን ምርኻብን ንመሰውእን ክቕድሶ እየ። ንኣሮንን ንደቁን ከኣ ካህናት ክዀኑኒ ክቕድሶም እየ። 45ኣነ ኣብ ማእከል ደቂ እስራኤል ክነብር፡ ኣምላኾም ድማ ክኸውን እየ። 46ኣብ ማእከሎም ክነብር ኢለ ኻብ ምድሪ ግብጺ ኸም ዘውጻእክዎም፡ ኣነውን እግዚኣብሄር ኣምላኾም ከም ዝዀንኩኽፈልጡ እዮም። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኾም እየ።

        ዘጸኣት  ምዕራፍ 30 

   1ዕጣን እትዓጥነሉ መሰውኢ ኸኣ ግበር፡ ካብ ዕጨይቲ ሽጢም ግበሮ። 2ምንዋሑ ሓደ እመት፡ ምግፋሑ ኸኣ ሓደ እመት፡ ኣርባዕተ መኣዝኑ ማዕረ፡ ምብራኹ ድማ ክልተ እመት ይኹን። ኣቕርንቱ ኸኣ ምስኡ ብሓደ እተገብረ ይኹን። 3ላዕላዩን ጎቦታቱን ብዙርያኡ፡ ኣቕርንቱ ድማ ብጽሩይ ወርቂ ለብጦ። ካብ ወርቂ ኸኣ ኣኽሊል ኣዙረሉ። 4ክልተ ቐለቤት ወርቂ ጌርካ ድማ ብኽልተ ጎቦኡ ኣብ ትሕቲ እቲ ኣኽሊል ግበሮ፡ ብእኡ ኽጽወርሲ እቲ መሰላታት ኣብኡ ኽኣቱ፡ ኣብ ክልተ ወገኑ ግበሮ። 5እቲ መሰላታት ድማ ካብ ዕጨይቲ ሽጢም ግበሮ፡ ብወርቂ ኸኣ ለብጦ። 6ነቲ ኣብ ቅድሚ ታቦት ምስክር ዘሎ መጋረጃ፡ ኣብ ቅድሚኡ፡ ነቲ ኣነ ኣብኡ ምሳኻ ዝራኸበሉ፡ ኣብ ልዕሊ ምስክር ዘሎ መኽደን መተዓረቒ፡ ኣብ ቅድሚኡ ግበሮ። 7ኣብኡ ኣሮን ጥዑም ዝጨናኡ ዕጣን ይዕጠን። ንግሆ ንግሆ ቐነድል ከዳሉ ኸሎ ዕጣን ይዕጠን። 8ኣጋ ምሸት ድማ ኣሮን ቀነድል ከብርህ ከሎ፡ ናይ ወርትግ ዕጣን ንውሉድ ወለዶኹም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይዕጠን። 9ጋሻ ዕጣን ኰነ፡ ዝሓርር መስዋእቲ ዀነ ወይ መስዋእቲ ብልዒ፡ ኣይተቕርቡሉ። መስዋእቲ መስተ ኸኣ ኣብ ልዕሊኡ ኣይትኽዓዉ። 10ኣብቲ ኣቕርንቱ ድማ ኣሮን ኣብ ዓመት ሓንሳእ የተዓርቕ። ንውሉድ ወለዶኹም ብደም መስዋእቲ ናይ ምትዕራቕ ሓጢኣት ኣብ ዓመት ሓንሳእ የተዓርቕ። ንሱ ንእግዚኣብሄር ቅዱስ ቅዱሳን እዩ። 
   11እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ከምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ 12ንደቂ እስራኤል ምስ እትቘጽሮም፡ ምስ ተቘጽሩ፡ በቲ ምቝጻሮም ሕማም ከይኰኖም፡ ነፍሲ ወከፍ በጃ ነፍሱ ንእግዚኣብሄር ይሃብ። 13ነፍሲ ወከፍ ኣብቶም ቍጹራት ዝሓለፈ፡ በቲ ሲቃል መቕደስ ፈረቓ ሲቃል ይሃብ። ሲቃል ድማ ዕስራ ጌራ እዩ እሞ፡ ፈረቓ ሲቃል መባእ ንእግዚኣብሄር ይኹን። 14ነፍስ ወከፍ ኣብቶም ቍጹራት ዝሓለፈ፡ ወዲ ዕስራ ዓመት ካብኡ ንላዕሊውን፡ እቲ መባእ ንእግዚኣብሄር ይሃብ። 15እቲ በጃ ነፍስኹም ንእግዚኣብሄር መባእ ክትህቡ ኸሎኹም፡ ሃብታም ካብ ፈረቓ ሲቃል ኣየብዝሕ፡ ድኻ ኸኣ ኣየውሕድ። 16እቲ ገንዘብ መተዓረቒ ድማ፡ ንመተዓረቒ ነፍስኹም፡ ንደቂ እስራኤል ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንመዘከሪ ክኸውን፡ ካብ ደቂ እስራኤል ወሲድካ ንኣገልግሎት ድንኳን ምርኻብ ግበሮ። 
   17እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ከምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ 18ንመሕጸቢ ዝኸውን ገበራ ድማ ካብ ኣስራዚ ኣጋሮኡ ኸኣ ካብ ኣስራዚ ግበሮ፡ ኣብ መንጎ ድንኳን ምርኻብን መሰውእን ኣንብሮ እሞ፡ ማይ ግበረሉ። 19ኣሮንን ደቁን ድማ ኣእዳዎምን ኣእጋሮምን ብእኡ ይተሓጸቡ። 20ናብ ድንኳን ምርኻብ ክኣትዉ ኸለዉ፡ ወይ ንእግዚኣብሄር መሰዋእቲ ሓዊ ብምንዳድ ከገልግሉ ናብ መሰውኢ ምስ ዝቐርቡ፡ ምእንቲ ኸይሞቱስ፡ ማይ ይተሓጸቡ። 21ምእንቲ ኸይሞቱ ኣእዳዎምን ኣእጋሮምን ይተሓጸቡ። እዚ ኸኣ ንኣታቶም፡ ንእኡን ንዘርኡን፡ ንውሉድ ወለዶኦም፡ ስርዓት ዘለኣለም ይኹን። 
   22እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ከምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ 23ካብ ዝበለጸ ጥዑም ጨና ንኣኻ ወሰድ፡ ሓሙሽተ ሚእቲ ሲቃል ዝነጥብ ከርበ፡ ፈረቓኡ ኸኣ፡ ማለት ክልተ ሚእትን ሓምሳን ሲቃል፡ ካብ ጥዑም ዝጨናኡ ቓርፋ፡ ካብ ጥዑም ዝጨናኡ ቓንጫ ዶሪራ ድማ ክልተ ሚእትን ሓምሳን ሲቃል። 24ሓሙሽተ ሚእቲ ሲቃል ብሲቃል መቕደስ ከኣ ካብ ሳናመኪ፡ ሓደ ሂን ዘይቲ ኣውልዕ ድማ። 25ንእኡ ኸም ብብልሓት ገባር ቅብኢ እተገበረ ቕብኢ፡ ቅዱስ ዘይቲ ቕብኣት ግበሮ። ንሱ ቅዱስ ዘይቲ ቕብኣት ይኹን። 26ብእኡ ድማ ነቲ ድንኳን ምርኻብን ንታቦት ምስክርን ቅባእ፡ 27ነቲ ሰደቓን ኵሉ ኣቓሑኡን ንቐዋሚ ቐንዴልን ኵሉ ኣቓሑኡን ንመሰውኢ ዕጣን ከኣ፡ 28ንመሰውኢ ምሕራርን ኵሉ ኣቓሑኡን፡ ነቲ ገበራን ኣጋሮኡን ቅባእ። 29ቅዱስ ቅዱሳን ክኸውን ድማ ቀድሶ። ዝትንክዮ ዘበለ ዅሉ ኸኣ ይቕደስ። 30ንኣሮንን ንደቁን ድማ ካህናት ክዀኑኒ ቅብኣዮምን ቀድሶምን። 31ንደቂ እስራኤል ከኣ ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፡ እዚ ንውሉድ ወለዶኹም ዘይቲ ቅዱስ ቅብኢ ይኹነለይ። 32ኣብ ስጋ ሰብ ኣይኵዖ፡ ካልእውን ከምቲ ኣገባብራኡ ኣይትግበሩ። ንሱ ቅዱስ እዩ እሞ፡ ንኣኻትኩም ከኣ ቅዱስ ይኹን። 33እቲ ኸምኡ ዝበለ ቕብኢ ዝገበረን፡ እቲ ኻብኡ ንኻልእ ሰብ ዝለኸየን ንሱ ኻብ ህዝቡ ይመንቈስ። 
   34እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ በሎ፡ ጥዑም ጨናታት፡ ከርበን ሸኽለትን ከልበናን፡ ጥዑም ጨናታት ምስ ጽሩይ ዕጣንን በብዓይነቱ ማዕረ ማዕረ ኸም ዝኸውን ጌርካ ውሰድ። 35ንእኡ ድማ ከም ብብልሓት እቶም ገበርቲ ቕብኢ ጨው ዝኣተዎ ጽሩይ ቅዱስ ቅብኢ ዕጣን ግበሮ። 36ካብኡ ኣድኪምካ ጕዳእ እሞ፡ ኣብቲ ኣነ ምሳኻ ዝራኸበሉ፡ ኣብ ድንኳን ምርኻብ ኣብ ቅድሚ ምስክር ኣንብሮ። ንኣኻትኩም ቅዱስ ቅዱሳን ይኹን። 37እቲ በዚ ኣገባብራኡ እትገብሮ ዕጣን ንኣኻትኩም ኣይትግበሩ። ንእግዚኣብሄር እተቐደሰ ይኹነልካ። 38ዝዀነ ይኹን ክዕጠኖ ኢሉ ኸምኡ ዝበለዝገብር፡ ካብ ህዝቡ ይመንቈስ።

        ዘጸኣት  ምዕራፍ 31    

   1እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ከምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ 2እንሆ፡ ኣነ ንበሳልኤል ወዲ ኡሪ፡ ወዲ ሁር፡ ካብ ነገድ ይሁዳ፡ ብስሙ ጸዊዐዮ ኣሎኹ። 3-5ንጥበብን ንምስትውዓልን ንፍልጠትን ንዅሉ ዓይነት ዕዮ፡ ኣብ ወርቅን ብሩርን ኣስራዝን ንምዕያይ ጥበብ ክሓስብ፡ ንምዝናቕዝኸውን ኣእማን ክቐርጽ፡ ዕጨይቲውን ንምጽራብ፡ ኵሉ ዕዮ ንምግባር መንፈስ ኣምላኽ መሊአዮ ኣሎኹ። 6እንሆ ኸኣ፡ ንኦሆልያብ ወዲ ኣሒሳማክ፡ ካብ ነገድ ዳን፡ ምስኡ ገይረዮ ኣሎኹ። እቲ ዝኣዘዝኩኻ ዅሉ ምእንቲ ኽገብሩ ኸኣ፡ ኣብ ልቢ ዅሎም ብልሓታኛታት ጥበብ ኣንቢረ ኣሎኹ። 7ድንኳን ምርኻብን ታቦት ምስክርን ኣብ ልዕሊኡ ዘሎ መኽደን መትዓረቕን ኵሉ ኣቓሑ ድንኳንን፡ 8ሰደቓን ኣቓሑኡን እቲ ጽሩይ ቀዋሚ ቐንዴልን ኵሉ ኣቓሑኡን መሰውኢ ዕጣን ከኣ፡ 9መሰውኢ ምሕራርን ኵሉ ኣቓሑኡን እቲ ገበራ ኸኣ ምስናይ ኣጋሮኡ፡ 10ኣልባስ ኣገልግሎትን ቅዱስ ኣልባስ ድማ ንኣሮን ካህንን ንደቁን ብኽህነት ዘገልግሉሉ ኣልባስ፡ 11ዘይቲ ቕብኣትን እቲ ንመቕደስ ዝኸውን ምኡዝ ዕጣንን፡ ከምቲ ዝኣዘዝኩኻ ዅሉ ይግበርዎ። 
   12እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ከምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ 13ንስኻ ንደቂ እስራኤል ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፡ ቀዳሲኹም ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝዀንኩ ኽትፈልጡስ፡ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኹምን ንውሉድ ወለዶኹም መፈለጥታ እየን እሞ፡ ስናብተይ ኣጸቢቕኩም ሓልዉ። 14ንኣኻትኩም ቅድስቲ እያ እሞ፡ ንሰንበት ሓልውዋ። ብእኣ ገለ ዕዮ ዝዓዪ ዅሉ፡ እታ ነፍሲ እቲኣ ኻብ ህዝባ ኽትምንቈስ እያ እሞ፡ እቲ ዘርክሳ ሞት ይሙት። 15ሹድሽተ መዓልቲ ዕዮ ይተዓየ፡ ሳብዐይቲ መዓልቲ ንእግዚኣብሄር እተቐደሰት ሰንበት ዕረፍቲ እያ። ብመዓልቲ ሰንበት ዕዮ ዝዓየየ ዅሉ ሞት ይሙት። 16ንውሉድ ወለድኦም ንናይ ዘለኣለም ኪዳን ንሰንበት ከብዕልዋ፡ ደቂ እስራኤል ንሰንበት ይሓልውዋ። 17እግዚኣብሄር ብሹድሽተ መዓልቲ ሰማይን ምድርን ገበረ፡ ብሳብዐይቲ መዓልቲ ድማ ዓሪፉ ኣተንፊሱ እዩ እሞ፡ ንሳ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎ ደቂ እስራኤልን ናይ ዘለኣለም መፈለጥታ እያ። 
   18ኣብ ከረን ሲና ምስ ሙሴ ተዛሪቡ ምስ ወድአ፡ ክልተ ጽላት ምስክር፡ በጻብዕ እግዚኣብሄር እተጻሕፈ ጽላት እምኒ ሃቦ።

        ዘጸኣት  ምዕራፍ 32 

   1እቲ ህዝቢ ኸኣ ሙሴ ኻብ ከረን ከይወረደ ኸም ዝደንጐየ ምስ ረኣየ፡ ናብ ኣሮን ተኣከበ እሞ፡ ነዚ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘውጽኣና ሙሴ፡ እቲ ሰብኣይ፡ እንታይ ከም ዝረኸቦ ኣይንፈልጥን ኢና እሞ፡ ተንስእ፡ ቀቅድሜና ዝኸዱ ኣማልኽቲ ግበረልና፡ በልዎ። 2ኣሮን ድማ፡ እቲ ኣብ ኣእዛን ኣንስትኹምን ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን ዘሎ ቐላብቲ ወርቒ ቐንጢጥኩም ኣምጽኡለይ፡ በሎም። 3ኵሎም እቶም ህዝቢ ኸኣ ኣብ ኣእዛኖም ዝነበረ ቀላብቲ ወርቂ ቐንጢጦም ናብ ኣሮን ኣምጽእዎ። 4ንሱ ኸኣ ካብ ኣእዳዎም ወሲዱ ብመንደል መመሰሊ ቀሪጹ፡ ኣፍሲሱ ኸኣ ምራኽ ገበሮ። ንሳቶም ድማ፡ ዎ እስራኤል፡ ካብ ምድሪ ግብጺ ዘደየቡኻ ኣማልኽትኻ እዚኣቶም እዮም፡ በሉ። 5ኣሮን እዚ ምስ ረኣየ፡ ኣብ ቅድሚኡ መሰውኢ ሰርሐ፡ ጽባሕ ንእግዚኣብሄር በዓል እዩ፡ ኢሉ ድማ ኣወጀ። 6ንጽብሒቱ ኣንጊሆም ተንሲኦም፡ ዝሓርር መስዋእቲ ሰውኡ፡ መስዋእቲ ምስጋናውን ኣቕረቡ። እቶም ህዝቢ ድማ ክበልዑን ክሰትዩን ኮፍ በሉ፡ ክስሓቑ ኸኣ ተንስኡ። 
   7ሽዑ እግዚኣብሄር ንሙሴ በሎ፡ እዚ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻእካዮ ህዝብኻ በዲሉ እዩ እሞ፡ ኪድ ውረድ። 8ካብቲ ዝኣዘዝክዎም መግዲ ብኡብኡ ኣግለሱ። ምራኽ ፍሲ ገበሩ፡ ሰገድሉን ሰውኡሉን ከኣ፡ ዎ እስራኤል፡ እቶም ካብ ምድሪ ግብጺ ዘደየቡኻ ኣማልኽትኻ እዚኣቶም እዩም፡ ድማ በሉ። 9እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ እዚህዝቢ እዚ እርእዮ ኣሉኹ፡ እንሆ፡ ህዝቡ ተሪር ክሳድ እዩ። 10ሕጂ ዅራይ ኣብኦም ክነድድ እሞ፡ ክውድኦም ሕደገኒ። ንኣኻ ድማ ዓብዪ ህዝቢ ኽገብረካ እየ፡ በሎ። 11ሙሴ ግና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ከምዚ ኢሉ ተማህለለ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ስለ ምንታይ ኵራኻ ኣብዚ ብዓብዪ ሓይልን ብጽንዕቲ ኢድን ካብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻእካዮ ህዝብኻ ይነድድ፧ 12ከመይከ ግብጻውያን፡ ኣብ ኣኽራን ክቐትሎም፡ ካብ ገጽ ምድሪ ኸኣ ከጽንቶም ንመከራ ኣውጽኦም፡ ኢሎም ዝዛረቡ፧ ካብቲ ነዳዲ ዅራኻ ደኣ ተመለስ፡ ካብቲ ንህዝብኻ ኽትገብሮ ዝሓሰብካዮ ኽፋእ ድማ ተጠዓስ። 13ንኣብርሃምን ንይስሃቅን ንእስራኤልን፡ ንኣታቶም፡ ንዘርእኹም ከም ከዋኽብቲ ሰማይ ከብዝሖ እየ። እታ እተዛረብኩላ ምድሪ ድማ ብዘላ ንዘርእኹም ክህቦ እየ፡ ንዘለኣለም ከኣ ኽርስተይዋ እዮም፡ ኢልካ ብርእስኻ ዝመሓልካሎም፡ ንባሮትካ ዘክር። 14እግዚኣብሄር ድማ ካብቲ ንህዝቡኽገብሮ ኢሉ ተዛሪብዎ ዝነበረ ኽፉእ ተጣዕሰ። 
   15ሙሴ ድማ ተመልሰ፡ ነተን ክልተ ጽላት ምስክር፡ በዝን በትን እተጻሕፋ፡ ብኽልቲኡ ገጸን ጽሑፋት ዝነበራ ጽላት፡ ኣብ ኢዱ ሒዙ ኻብ ከረን ወረደ። 16እተን ጽላት ድማ ስራሕ እግዚኣብሄር ነበራ፡ ኣብተን ጽላት እተቐርጸ ጽሕፈት ከኣ፡ ጽሕፈት እግዚኣብሄር እዩ። 17እያሱ ድማ እልልታን ጭራሕ ምራሕ እቶም ህዝብን ምስ ሰምዐ፡ ንሙሴ፡ ኣብ ሰፈር ደሃይ ውግእ ይስማዕ ኣሎ፡ በሎ። 18ሙሴ ኸኣ፡ እዚ ደሃይ ዝሰዓሩ ኣይኰነን፡ ደሃይ እተሳዕሩ ድማ ኣይኰነን፡ ኣነ ደሃይ ደርፊ እየ ዝሰምዕ ዘሎኹ፡ በሎ። 19ኰነ ኸኣ፡ ሙሴ ናብ ሰፈር ምስ ቀረበ፡ ነቲ ምራኽን ነቲ ሳዕስዒትን ርእዩ፡ ኵራኡ ነደደ እሞ፡ ነተን ጽላት ካብ ኢዱ ደርበየን፡ ኣብ እግሪ እቲ ኸረን ከኣ ሰበረን። 20ነቲ ዝገበርዎ ምራኽ ወሲዱ ድማ ብሓዊ ኣንደዶ እሞ፡ ጥሒኑ ኣድከሞ፡ ኣብ ማይ ነስኒሱ ኸኣ ንደቂ እስራኤል ኣስተዮም። 21ሙሴ ድማ ንኣሮን፡ እዚ ዓብዪ ሓጢያት ዘምጻእካሉስ እዚህዝብዚ እንታይ ገበርካ፧ በሎ። 22ኣሮን ከኣ፡ ኵራ ጐይታይ ኣይንደድ፡ እዚህዝቢ እዚ ኽፋእ ምኳኑ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ። 23እቲ ሙሴ፡ እቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘደየበና ሰብኣይ፡ ንእኡ እንታይ ከም ዝረኸቦ ኣይንፈልጥን ኢና እሞ፡ ቀቅድሜና ዝኸዱ ኣማልኽቲ ግበረልና፡ በሉኒ። 24ኣነ ድማ፡ ወርቂ ዘለዎ ይቐንጥጦ፡ በልክዎም። ንሳቶም ከኣ ሃቡኒ፡ ኣነ ድማ ናብ ሓዊ ደርቤኽዎ፡ እዚ ምራኽ እዚ ኸኣ ወጸ። 
   25ኣሮን ነቲ ህዝቢ ኣብ ቅድሚ ጻላእቶም ንመነወሪ ስዲ ሓዲግዎም ነበረ እሞ፡ ሙሴ ስዲ ተፈንዮም ምስ ረኣዮም፡ 26ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ሰፈር ደው ኢሉ፡ ነፍሲ ወከፍ ናይ እግዚኣብሄርዝዀነ ናባይ ይምጻእ፡ በለ። ኵሎም ደቂ ሌዊ ኸኣ ናብኡ ተኣከቡ። 27ንሱ ድማ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል፡ ነፍሲ ወከፍ ሴፉ ኣብ እቑኡ ይዕጠቕ። ካብ ደገ ናብ ደገ ኸኣ ኣብዚ ሰፈር ተመላለሱ፡ ነፍሲ ወከፍ ንሓዉ፡ ነፍሲ ወከፍ ንፈታዊኡ፡ ነፍሲ ወከፍ ንጐረቤቱ ይቕተል፡ በሎም። 28ደቂ ሌዊ ድማ ከምቲ ዘረባ ሙሴ ገበሩ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኻብቲ ህዝቢ ኣስታት ሰለስተ ሽሕ ሰብኣይ ወደቑ። 29ሙሴ ድማ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ በረኸት ምእንቲ ኽወሃበኩም፡ ነፍሲ ወከፍ ብወዱን ብሓዉን ሎሚ ንእግዚኣብሄር ተቐደሱ፡ በለ። 30ኰነ ድማ ንጽብሒቱ ሙሴ ነቶም ህዝቢ፡ ንስኻትኩም ዓብዪ ሓጢኣት ገበርኩም። ሕጂ ኸኣ፡ ምናልባሽ ሓጢያኣትኩም እንተ ኣተዓረቕኩ፡ ናብ እግዚኣብሄር ክድይብ እየ፡ በሎም። 31ሙሴ ድማ ናብ እግዚኣብሄር ተመሊሱ፡ ኣየ፡ እዚህዝቢ እዚ ዓብዪ ሓጢያኣት ገበረ፡ ንኣታቶም ከኣ ኣማልክቲ ወርቂ ገበረ። 32ሕጂ ድማ ሓጢኣቶም ይቕረ በለሎም፡ እንተ ዘይኰነስ ካብቲ ዝጸሓፍካዮ መጽሓፍካ ሕከኸኒ፡ በለ። 33እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ ነቲ ዝበደለኒ ኻብ መጽሓፈይ እሓኮ፡ 34ሕጂ ኸኣ ኪድ እሞ፡ ነዚህዝቢ ናብቲ ዝበልኩኻ ምርሓዮ። እንሆ፡ መልኣኸይ ቀቅድሚኣኻ ክኸይድ እዩ። ኣነ ግና በታ ንኣታቶም ዝበጽሓላ መዓልቲ፡ ሓጢኣቶም ክቐጽዕ እየ፡ በሎ። 
   35እሞ እቲ ኣሮን ዝገበሮ ምራኽ ስለ ዝገበሩ፡ እግዚኣብሄር ነቶም፡ ህዝቢ ቀዘፎም።

        ዘጸኣት  ምዕራፍ 33    

   1እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ ንስኻን እዚ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘደየብካዮ ህዝብን ካብዚ ኺዱ እሞ፡ ናብታ ንዘርእኻ ኽህቦ እየ ኢለ፡ ንኣብርሃምን ንይስሃቅን ንያእቆብን ዝመሓልኩሎም ምድሪ ደይብ። 2ቀቅድሜኻ ድማ መልኣኽ ክሰድድ እየ እሞ ንኸነኣናውያንን ንኣሞራውያንን ንሔታውያንን ንፈረዛውያንን ንሃዋውያንን ንይቡሳውያንን ክሰጎም እየ። 3ንሱ ናብታ ጸባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ ኸእትወካ እዩ። ንስኻ ተሪር ክሳድ ህዝቢ ኢኻ እሞ፡ ኣብ መገዲ ምእንቲ ኸየጥፍኣካስ፡ ኣብ ማእከልካ ኣይድይብን እየ፡ በሎ። 4እቶም ህዝቢ እዚ ኽፉእ ነገርዚ ምስ ሰምዑ፡ ጐሃዩ እሞ ሓደ እኳ ስልማቱ ኣይተሰለመን። 
   5እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ በሎ፡ ንደቂ እስራኤል፡ ንስኻትኩም ተረርቲ ኽሳድ ህዝቢ ኢኹም። ኣነ ቅጽበት ዓይኒ ኣብ ማእከልካ እንተ ዝድይብ፡ ምወዳእኩኻ ነይረ፡ ሕጂ ኸኣ ንኣኻ እንታይ ከም ዝገብረካ ምእንቲ ኽፈልጥ፡ ስልማትካ ካባኻ ቀንጥጥ፡ በሎም። 6ደቂ እስራኤል ድማ ካብ ከረን ሆሬብ ንነጀው ስልማቶም ቀንጠጡ። 
7ሙሴ ድማ ነቲ ድንኳን ወሲዱ፡ ኣብ ወጻኢ እቲ ሰፈር፡ ካብ ሰፈር ኣርሕቕ ኣቢሉ ተኸሎ። ድንኳን ምርኻብ ከኣ ኣውጻኣሉ። ኰነ ኸኣ ንእግዚኣብሄርዝደለየ ዘበለ ንወጻኢ ሰፈር ናብ ድንኳን ምራኻብ ይኸይድ ነበረ። 8ኰነ ድማ፡ ሙሴ ናብ ድንኳን ምስ ዝወጽእ፡ ኵሉ እቲ ህዝቢ ተንሲኡ፡ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ኣፍ ድንኳኑ ደው በለ፡ ሙሴ ናብ ድንኳን ክሳዕ ዝኣቱ ደድሕሪኡ ይጥምቶ ነበረ። 9ኰነ ኸኣ፡ ሙሴ ናብ ድንኳን ምስ ኣተወ፡ እቲ ዓንዲ ደበና ወሪዱ፡ ኣብ ኣፍ ድንኳን ይቐውም ነበረ፡ ንሙሴ ድማ ይዛረቦ ነበረ። 10ኵሉ ህዝቢ ድማ ነቲ ዓንዲ ደበና ኣብ ኣፍ ድንኳን ደው ኢሉ ረኣዮ፡ ኵሉ እቲ ህዝቢተንስአ እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ኣፍ ድንኳኑ ዀይኑ ይሰግድ ነበረ። 11ሰብ ምስ ፈታዊኡ ኸም ዝዛረብ፡ እግዚኣብሄር ድማ ምስ ሙሴ ገጽ ንገጽ ተዛረበ። ሙሴ ኸኣ ናብ ሰፈር ተመልሰ። እቲ ጐበዝ ግልያኡ፡ እያሱ ወዲ ነዌ ግና ካብቲ ድንኳን ኣይፍለን ነበረ። 
12ሙሴ ድማ ንእግዚኣብሄር፡ እንሆ፡ ንስኻ፡ ነዚህዝቢ እዚ ኣደይቦ፡ ትብለኒ ኣሎኻ። ምሳይ ንመን ከም እትሰድድ ከኣ፡ ንስኻ ኣየፍለጥካንን። ንስኻ ግና፡ ብስምካ እፈልጠካ ኣሎኹ፡ ኣብ ዓይነይ ድማ ሞገስ ረኺብካ ኣሎኻ፡ በልካኒ። 13እምበኣርሲ ኣብ ዓይንኻ ሞገስ እንተ ደኣ ረኺበስ፡ ምእንቲ ኣብ ዓይንኻ ሞገስ ክረክብ፡ በጃኻ መገድኻ ኣፍልጠኒ። እዚህዝቢዚ ኸኣ ህዝብኻ ከም ዝዀነ ርአ፡ በሎ። 14እግዚኣብሄር ድማ፡ ገጸይ ምሳኻ ይኸይድ፡ ከዕርፈካ ኸኣ እየ፡ በሎ። 15ገጽካ ምሳና ዘይኸይድ እንተ ዀይኑስ፡ ካብዚ ኣይተደይበና። 16ኣነን ህዝብኻን ኣብ ዓይንኻ ጸጋ ኸም ዝረኸብና፡ ኣነን ህዝብኻን ድማ ኣብ ገጽ ምድሪ ኻብ ዘለው ዅሎም ህዝብታት ከም እንፍለ ደኣ፡ ብምንታይ ይፍለጥ፧ ንስኻ ምሳና ብምኻድካዶ ኣይኰነን፧ በሎ። 
17እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ ኣብ ዓይነይ ጸጋ ረኺብካ፡ ብስምካ ኸኣ ፈሊጠካ እየ እሞ፡ እዚዝበልካዮ ነገር ክገብሮ እየ፡ በሎ። 18ንሱ ድማ፡ እምበኣር በጃኻ፡ ክብርኻ ኣርእየኒ፡ በሎ። 19ንሱ ኸኣ ኵሉ ለውሃተይ ኣብ ቅድሜኻ ኸሕልፍ እየ፡ ስም እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ቅድሜኻ ኽእውጅ እየ። ነቲ ኽምጕሶ ዝደለኹ ኽምጕሶ እየ፡ ነቲ ኽምሕሮ ዝደለኹ ድማ ክምሕሮ እየ፡ በለ። 20ሰብ ርእዩኒ ብህይወት ኣይነብርን እዩ እሞ፡ ገጸይ ክትርኢ ኣይትኽእልን ኢኻ፡ ድማ በለ። 21እግዚኣብሄር ድማ፡ እንሆ፡ ኣብዚ ጥቓይ ቦታ ኣሎ፡ ኣብቲ ኸውሒ ደው ክትብል ኢኻ። 22ክኸውን ድማ እዩ፡ ክብረይ ክሓልፍ ከሎ ኣብ ጭዳድ ከውሒ እገብረካ፡ ኣነ ኽሳዕ ዝሓልፍ ከኣ፡ ብኢደይ ክኽውለካ እየ። 23ኢደይ ድማ አልዕል እሞ ብድሕረይ ትርእየኒ፡ ገጸይ ግና ኣይርአን እዩ፡ በለ።

        ዘጸኣት  ምዕራፍ 34 

   1እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ ንኣኻ ኸምተን ቀዳሞት ዝበላ ኽልተ ጽላት እምኒ ጽረብ፡ ኣብተን ዝሰበርካየን ቀዳሞት ጽላት ዝነበረ ቓላት ከኣ ኣነ ኣብዘን ጽላት እዚአን ክጽሕፎ እየ። 2ንጽባሕ ድማ ተዳሎ፡ ኣንጊህካ ኸኣ ናብ ከረን ሲና ደይብ እሞ ኣብ ርእሲ እቲ ኸረን ናባይ ተረኸብ። 3ሓደ ሰብ እኳ ምሳኻ ኣይደይብ። ኣብ ኵሉ እቲ ኸረን ከኣ ገለ ሰብ እኳ ኣይርአ፡ ኣባጊዕን ኣሓን ድማ ኣብ ጥቓ እቲ ኸረን ኣይውፈራ፡ በሎ።
   4ከምተን ቀዳሞት ዝበላ ኽልተ ጽላት እምኒ ኸኣ ጸረበ። ንጽብሒቱ ኸኣ ሙሴ ኣንጊሁ ተንስአ፡ ከምቲ እግዚኣብሄርዝኣዘዞ ድማ፡ ንኽልቲአን ጽላት እምኒ ኣብ ኢዱ ሒዙ፡ ናብ ከረን ሲና ደየበ። 5እግዚኣብሄር ከኣ ብደበና ወሪዱ ኣብ ጥቓኡ ደው በለ እሞ ስም እግዚኣብሄር ኣወጀ። 6እግዚኣብሄር ድማ ብቕድሚኡ ሓለፈ ኣወጀ ኸኣ፡ እግዚኣብሄር፡ እግዚኣብሄር፡ መሓርን ጸጋውን ኣምላኽ፡ ንኹራ ደንጓይ፡ በዓል ብዙሕ ለውሃትን ሓቅን፡ 7ክሳዕ ሽሕ ወለዶ ጸጋ ዝሕሉ፡ ዓመጽን ምትሕልላፍን ሓጢኣትን ይቕረ ዝብል፡ ግናኸ ንበዳሊ ኸም ንጹህ ዘይርኢ፡ ሓጢኣት ኣቦታት ደኣ ኣብ ደቅን ደቂ ደቅን ክሳዕ ሳልሳይ ክሳዕ ራብዓይ ወለዶ ዝቐጽዕ። 8ሙሴ ድማ ቀልጢፉ ኣብ ምድሪ ፍግም ኢሉ ሰገደ፡ 9እሞ በለ፡ ጐይታይ፡ እዚህዝቢ እዚ ተሪር ክሳድ ህዝቢ እዩ እሞ፡ ዓመጽናን ሓጢኣትናን ይቕረ ኽትብለልና፡ ርስትኻ ጌርካውን ክትቅበለናስ፡ ኣብ ዓይንኻ እንተ ደኣ ጸጋ ረኺበ፡ በጃኻ፡ ጐይታይ ኣብ ማእከልና ይኺድ። 
   10በለ ድማ፡ እንሆ፡ ኣነ ኪዳን ክገብር እየ። ንእኡ ዝመስል ኣብ ኵላ ምድሪ ወይ ኣብ ኵሎም ህዝብታት ዘይተገብረ ተኣምራት ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝብኻ ኽገብር እየ። እቲ ኣነ ምሳኻ ዝገብሮ ነገር ድማ ዘፍርህ ነገር እዩ እሞ፡ ኵሉ እቲ ንስኻ ኣብ ማእከሉ ዘሎኻ ህዝቢ ግብሪ እግዚኣብሄርክርኢ እዩ። 11እዚ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ሓሉ፡ እንሆ፡ ኣነ ኸኣ ንኣሞራውያንን ንከነኣናውያንን ንሔታውያንን ንፈረዛውያንን ንሃዋውያንን ንይቡሳውያንን ካብ ቅድሜኻ ኸውጽኦም እየ። 12ኣብ ማእከልካ ንመፈንጠራ ኸይኰኑስ ምስቶም ኣብታ ንስኻ እትኣትዋ ምድሪ ዝነብሩኪዳን ከይትኣቱ ተጠንቀቕ። 13መሰውኢታቶም ደኣ ኣፍርሱ፡ ሓወልትታቶም ስበሩ፡ ኣሽሪሞም ከኣ ኣፍርሱ። 14እቲ ቐናእ ዝስሙ እግዚኣብሄር፡ ንሱ ቐናእ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ንኻልእ ኣምላኽ ኣይትስገድ። 15-16ደድሕሪ ኣማልኽቶም ምስ ዝምንዝሩን፡ ንኣማልኽቶም ከኣ ምስ ዝስውኡን፡ ከይዕድሙኻ እሞ ካብ መስዋእቶም ከይትበልዕ፡ ኣዋልዶም ድማ ነወዳትካ ኸይትወስድ፡ እተን ኣዋልዶም ከኣ ደድሕሪ ኣማልኽተን ክምንዝራ ኸለዋ ንደቅኻ ድማ ደድሕሪ ኣማልኽተን ከየመንዝራኦም፡ ምስቶም ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ኪዳን ኣይትእቶ። 
   17ዝፈሰሱ ኣማልኽቲ ንኣኻ ኣይትግበር። 
   18ንበዓል ቅጫ ሓልዎ። ካብ ግብጺ ብወርሒ ኣቢብ ወጺእካ ኢኻ እሞ፡ ኣብቲ ምዱብ ግዜ ብወርሒ ኣቢብ፡ ከምቲ ዝኣዘዝኩኻ፡ ሾብዓተ መዓልቲ ቅጫ ብላዕ። 
   19ማሕጸን ዝኸፈተ ዅሉ፡ ተባዕታይ ዘበለ በዅሪ ማልካ ድማ ብዕራይን በጊዕን ናተይ እዩ። 20በዅሪ ኣድጊ ግና ብበጊዕ ተበጀዎ። ክትብጀዎ እንተ ዘይፈቶኻ ድማ ክሳዱ ስበሮ። ካብ ደቅኻ ኸኣ ነቲ በዅሪ ዘበለ ተበጀዎ። ሓደ እኳ ጥራይ ኢዱ ኣብ ቅድመይ ኣይርአ። 
   21ሹድሽተ መዓልቲ ዕየ፡ በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ግና ዕረፍ። ብግዜ ማሕረስን ዓጺድን ድማ ዕረፍ። 
   22ኣብ ምጅማር ዓጺድ ስርናይ ናይ ሰሙናት በዓል ኣብ መወዳእታ ዓመት ድማ በዓል ምትሕሳስ ኣብዕል። 23ተባዕታይካ ዘበለ ዅሉ ኣብ ቅድሚ ጐይታ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፡ ኣብ ዓመት ሰለስተ ሳዕ ይርአ። 24ህዝብታት ካብ ቅድሜኻ ኽሰጕጕ እየ፡ ንዶባትካ ድማ ከግፍሖ እየ እሞ፡ እቲ ኣብ ዓመት ሰለስተ ሳዕ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኽትርአ ኢልካ ምስ እትድይብ፡ ንምድርኻ ዝትምነ ሰብ የልቦን። 
   25ንደም መስዋእተይ ምስ መጺጽ እንጌራ ኣይትሰዋኣዮ። እቲ መስዋእቲ በዓል ፋስጋ ድማ ክሳዕ ንግሆ ኣይሕደር። 
   26መጀመርታ እቲ ቐዳማይ ፍረ ምድርኻ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣእቱ።ንማሕስእ ብጸባ ኣዲኣ ኣይተብስሎ። 
   27እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ በዚ ቓላት እዚ ምሳኻን ምስ እስራኤልን ኪዳን ኣትየ እየ እሞ፡ እዚ ቓላት እዚ ንኣኻ ጽሓፎ፡ በሎ። 28እንጌራ ኸይበልዐን ማይ ከይሰተየን፡ ኣብኡ ምስ እግዚኣብሄር ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ገበረ። ድማ ናይቲ ኪዳን ቃላት፡ እቲ ዓሰርተ ቓላት፡ ኣብተን ጽላት ጸሓፎ። 
   29ኰነ ኸኣ፡ ሙሴ ኻብ ከረን ሲና ኽወርድ ከሎ፡ በቲ ካብ ከረን ምውራዱ እተን ክልተ ጽላት ምስክር ኣብ ኢድ ሙሴ ነበራ፡ ሙሴ ምስ እግዚኣብሄር ብምዝራቡ እቲ ቖርበት ገጹ ኸም ዘንጸባረቐ ኣይፈለጠን ነበረ። 30ኣሮንን ኵሎም ደቂ እስራኤልን ንሙሴ ምስ ረኣዩ፡ እንሆ፡ ቆርበት ገጹ የንጸብርቕ ነበረ እሞ፡ ናብኡ ንምቕራብ ፈርሁ። 31ሙሴ ኸኣ ጸውዖም፡ ኣሮንን ኵሎም ሓላቑ እቲ ኣኼባን ድማ ናብኡ ተመልሱ፡ ሙሴ ኸኣ ተዛረቦም። 32ድሕርዚ ኸኣ ኵሎም ደቂ እስራኤል ቀረቡ። ንሱ ድማ እቲ እግዚኣብሄር ኣብ ክረን ሲና ዝነገሮ ዅሉ ኣዘዞም። 33ሙሴ ምሳታቶም ተዛሪቡ ምስ ወድአ፡ ኣብ ገጹ ጕልባብ ገበረ። 34ሙሴ ምስኡ ኽዛረብ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ምስ ዝኣቱ፡ ክሳዕ ዝወጽእ ነቲ ጕልባብ የልዕሎ ነበረ። ወጺኡ ኸኣ እቲ እተኣዘዞ ነገር ንደቂ እስራኤል ይነግሮም ነበረ። 35ደቂ እስራኤል ድማ ቆርበት ገጽ ሙሴ ኸም ዘንጸብርቕ፡ ገጽ ሙሴ ይርእዩ ነበሩ፡ ሙሴ ኸኣ ምስኡ ንምዝራብ ክሳዕ ዝኣቱ ነቲ ጕልባብ ናብ ገጹ መለሶ።

        ዘጸኣት  ምዕራፍ 35    

   1ሙሴ ድማ ንዅሉ ኣኼባ ደቂ እስራኤል ኣኪቡ፡ እቲ እግዚኣብሄርክግበር ዝኣዘዞ ነገር እዚ እዩ፡ በሎም። 2ሽዱሽተ መዓልቲ ዕዮ ይተዓየ፡ እታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ግና ናይ እግዚኣብሄር ሰንበት ዕረፍቲ እያ እሞ፡ ቅድስቲ ትኹነልኩም። ብእኣ ዕዮ ዝዓየየ ዅሉ ይሙት። 3ኣብ እትነብርዎ ዅሉ ብመዓልቲ ሰንበት ሓዊ ኣይተንድዱ።
   4ሙሴ ድማ ንብዘሎ ኣኼባ ደቂ እስራኤል ከምዚ ኢሉ ተዛረበ፡ እቲ እግዚኣብሄር ከምዚ ኢሉ ዝኣዘዞ ነገር እዚ እዩ፡ 5ካባኻትኩም ንእግዚኣብሄር ህያብ ውሰዱ። ነፍሲ ወከፍ ፍታው ልቢ ዘለዎ ንእግዚኣብሄር ህያብ የምጽእ፡ ወርቅን ብሩርን ኣስራዝን፡ 6ሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን ልሕጺ እንጣጢዕን ጸጕሪ ጤልን፡ 7እተቐረጸ ቘራብቲ ደዓውልን ቈራብቲ ተሃስን ዕጨይቲ ሽጢምን፡ 8ዘይቲ ንቐንዴልን ቀመማት ድማ ንዝቕባእ ዘይትን ንሙእዝ ዕጣንን፡ 9ኣእማን ዕንቍን ንኤፎድን ንሳንቃ ኣፍ ልብን ዝዛነቕ ኣእማንን። 10ኣባኻትኩም ጥበበኛ ልቢ ዘለዎም ኵላቶም ይምጽኡ፡ እግዚኣብሄርዝኣዘዞ ዅሉ ድማ ይግበሩ። 11እቲ ማሕደር፡ እቲ ድንኳኑን መደረብታኡን ኣቝላፉን ኣልዋሑን ጋድማቱን ኣዕኑዱን ኣእጋሩ ድማ፡ 12ታቦትን እቲ መሰላታቱን መኽደን መተዓረቕን ዝጋረድ መጋረጃን፡ 13ሰደቓን እቲ መሰላታቱን ዅሉ ኣቓሑኡን እንጌራ ምርኣይን፡ 14እቲ ዘብርህ ቀዋሚ ቐንዴልን ኣቓሑኡን፡ ቀልዒ ቐንዴልን ንምብራህ ዝኸውን ዘይትን፡ 15መሰውኢ ዕጣንን እቲ መሰላታቱን፡ ዘይቲ ንመቕብእን፡ ምኡዝ ዕጣንን መጋረጃ ኣፍ ደገ ነቲ ደገ ማሕደርን፡ 16መሰውኢ ምሕራርን እቲ ናይ ኣስራዚ መጋረዲኡን መሰላታቱን ኵሉ ኣቓሑኡን፡ እቲ ገበራ ምስ ኣጋሮኡ፡ 17መጋረጃታት ኣጸድን ኣዕኑድን ኣእጋሩን፡ መጋረጃ ኣፍ ኣጸድ ከኣ፡ 18ሸኻውልቲ ማሕደርን ሸኻውልቲ ኣጸድ እቲ ኣግማዱን፡ 19ኣብ መቕደስ ዘገልግሉሉ ኣልባስ ኣገልግሎት፡ ቅዱሳት ኣልባስ ንኣሮን ካህንን ብኽህነት ዘገልግሉሉ ኣልባስ ደቁን ከኣ። 
   20ኵሉ እቲ ኣኼባ ደቂ እስራኤል ከኣ ካብ ቅድሚ ሙሴ ወጹ። 21ነፍሲ ወገፍ ልቡ ዝደፍኦ መጸ፡ ኵሉ መንፈሱ ፍቓድ ዘልዓለሉ ንመስርሒ ድንኳን ምርኻብን ንዅሉ ኣገልግሎቱን ንቕዱሳት ኣልባስን ንእግዚኣብሄር ህያብ ኣምጽአ። 22ፍታው ልቡ ዘለዎም ዘበሉ ሰብኡትን ኣንስትን መጺኦም፡ ኣቝላፍን ቀላብቲ እዝንን ቀላብቲ ኣጻብዕን ኣምባውርትን ኵሉ ኣቓሑ ወርቅን ሃቡ። ነፍሲ ወከፍ ንእግዚኣብሄር ህያብ ወርቂ ኣቕረበ። 23ሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን ልሕጺ እንጣጢዕን ጸጕሪ ጤልን እተቐረጸ ቘራብቲ ደዓውልን ቈራብቲ ተሃስን እተረኽቦ ዘበለ ሰብ ኣምጽኦ። 24ነፍሲ ወከፍ ህያብ ብሩርን ኣስራዝን ዝሃበ፡ ህያቡ ንእግዚኣብሄር ኣምጽአ። ነፍሲ ወከፍ ዕጨይቲ ሽጢም ዝነበሮ ንዝዀነ ዕዮ ኣገልግሎት ክኸውን ኣምጽኦ። 25ጥበበኛ ልቢ ዘለወን ኵለን ኣንስቲ ድማ በእዳወን ፈቲለን፡ እቲ ዝፈተላኦ ሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን ልሕጺ እንጣጢዕን ኣምጽኣኦ። 26ኵለን ኣንስቲ ልበን ብጥበብ ዘልዓለን ከኣ ጸጕሪ ጤል ፈተላ። 27እቶም ሓላቑ ድማ ኣእማን ዕንቍን ኣብ ኤፎድን ኣብ ሳንቃ ኣፍ ልብን ዝዛነቕ ኣእማንን፡ 28ቀመማትን ዘይቲ ንምብራህ ንዘይቲ ቅብኣትን ንምኡዝ ዕጣንን ዝኸውን ኣምጽኡ። 29ደቂ እስራኤል ነፍሲ ወከፍ ሰብኣይን ሰበይትን ነቲ እግዚኣብሄርክግበር ብሙሴ ዝኣዘዞ ዅሉ ግብሪ ዝኸውንክህብ ልቡ ዘልዓሎ፡ ብፍታው ህያብ ንእግዚኣብሄር ኣምጽኡ።
   30ሙሴ ድማ ንደቂ እስራኤል በሎም፡ ርኣዩ፡ እግዚኣብሄር ንበሳልኤል ወዲ ኡሪ፡ ወዲ ሁር ካብ ነገድ ይሁዳ፡ ብስሙ ጸውዖ። 31ንእኡ ድማ ብመንፈስ ኣምላኽ መልኦ፡ ብጥበብን ብምስትውዓልን ብፍልጠትን ብዅሉ ዕዮን፡ 32ንምሕሳብ ብልሓት፡ ብወርቅን ብብሩርን፡ በስራዝን ንምዕያይ፡ 33ዝዛነቕ ኣእማን ንምውቃርን ንምጽራብ ዕጨይትን፡ ኵሉ ዓይነት ዕዮ ብልሓት ንምዕያይ፡ 34ንእኡን ንኦሆልያብ፡ ወዲ ኣሂሳማክ ካብ ነገድ ዳንን፡ ክምህሩ ኣብ ልቦም ሃቦም። 35ንኣታቶም ኵሉ ዕዮ ብልሓትን ምቕራጽን ንምዕያይ፡ ካብ ሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን ልሕጺ እንጣጢዕን ከኣ ብብልሓት ንምእላምን ንምጥላፍን ንዕዮ ማእለማን ኵሉ ዓይነት ዕዮ ብልሓት ንምሕሳብን ብጥበባት ልቢ መልኦም።

        ዘጸኣት  ምዕራፍ 36 

   1በሳልኤልን ኦሆልያብን ኵሎም ጥበብ ልቢ ዘለዎም ሰባትን ንኣገልግሎት መቅደስ ዝኸውን ኵሉ ዕዮ ምዕያይ ክፈልጡ፡ እግዚኣብሄር ጥበብን ምስትውዓልን ዝሃቦም፡ ከምቲ እግዚኣብሄርዝኣዘዞ ዅሉ ነገር ክገብሩ እዩም።
   2ሙሴ ድማ ንቤልሳኤልን ንኦሆልያብን ንዅሎም ጥበበኛ ልቢ ዘለዎም ሰባትን፡ እግዚኣብሄር ኣብ ልቦም ጥበብ ዘሕደረሎም፡ መጺኦም ነዚ ዕዮ እዚኽዓዩ ልቦም ዝደረኾም ጸውዐ። 3ንሳቶም ከኣ ነቲ ደቂ እስራኤል ንዕዮ ኣገልግሎት መቕደስ ኢሎም ዘምጽእዎ ዅሉ ህያብ ክዓዩሉ ኻብ ሙሴ ተቐበሉ። ደቂ እስራኤል እቲ ናይ ፍታው ህያቦም ግና ንግሆ ንግሆ የምጽኡ ነበሩ። 4እቶም ንዅሉ ዕዮ መቕደስ ዝዓዩ ዝነበሩ ዅላቶም ጥበበኛታት ነፍሲ ወከፎም ከካብቲ ዝዓይዎ ዝነበሩ ዕዮኦም መጹ። 5ንሙሴ ኸኣ፡ እዚህዝቢ ነቲ እግዚኣብሄርክግበር ዝኣዘዞ ዕዮ ንምዕያይ ሓለፋ እቲ ዘድሊ የምጽእ ኣሎ፡ ኢሎም ተዛረብዎ። 6ሽዑ ሙሴ፡ ሰብኣይ ኰነ ወይ ሰበይቲ ንመቅደስ ክህብ ኢሉ ደጊም ኣይዕየ፡ ኢሎም ኣብ ሰፈር ክእውጁ ኣዘዘ እሞ እቶም ህዝቢ ኸየምጽኡ ተኸልከሉ። 7እቲ መተዓየዪ ንዅሉ ዝዕየ ዕዮ ዝኣክል ነበረ፡ ተረፈ እኳ።
   8እቶም ነቲ ዕዮ ዝዓዩ ዝነበሩ ዅሎም ጥበበኛ ልቢ ዘለዎም ነቲ ማሕደር ብዓሰርተ ዓለባ ገበርዎ። ካብ እተፋሕሰ ልሕጺ እንጣጢዕን ሰማያዊ ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን ምስናይ ብብልሓት እተዓየ ኪሩቤል ገበርዎ። 9ምንዋሕ እቲ ሓደ ዓለባ ዕስራን ሸሞንተን እመት፡ ወርዲ እቲ ሓደ ዓለባ ኸኣ ኣርባዕተ እመት ነበረ፡ ስፍሪ ዅሉ ዓለባታት ማዕረ ነበረ። 10ነቲ ሓሙሽተ ዓለባታት ንሓድሕዱ ኣጋጠሞ፡ ነቲ ሓሙሽተ ዓለባታት ድማ ንሓድሕዱ ኣጋጠሞ። 11ኣብቲ ቐዳማይ እተጋጠመ ኣብ ጥርዚ እቲ ወሰናይ ዓለባ ኻብ ሰማያዊ ፈትሊ መኸንትቦታት ገበረ። ኣብቲ ኻልኣይ እተጋጠመ ድማ ኣብ ጥርዚ እቲ ወሰናይ ዓለባ ኸምኡ ገበረ። 12ኣብቲ ሓደ ዓለባ ሓምሳ መኸንትቦ ገበረ። ኣብቲ ኻልኣይ እተጋጠመ ኸኣ፡ ኣብ ጥርዚ እቲ ወሰናይ ዓለባ ሓምሳ መኸንትቦ ገበረ። እቲ መኸንትቦታት ድማ ንሓድሕዱ ኸም ዝራኸብ ገበሮ። 13ሓምሳ ቝልፊ ወርቂ ኸኣ ገበረ እሞ ነቲ ዓለባታት በቲ ኣቝላፍ ንሓድሕዱ ኣጋጠሞ። እቲ ድንኳን ከኣ ሓደ ዀነ። 
   14ንመደረብታ እቲ ማሕደር ድማ ካብ ጸጕሪ ጤል ዓለባታት ገበረ። ነቲ ዓለባታት ዓሰርተው ሓደ ገበሮ። 15ምንዋሕ ሓደ ዓለባ ሰላሳ እመት፡ ወርዲ እቲ ሓደ ዓለባ ድማ ኣርባዕተ እመት ነበረ። እቲ ዓሰርተው ሓደ ዓለባ ኸኣ ስፍሩ ማዕረ ነበረ። 16ነቲ ሓሙሽተ ዓለባ ንበይኑ፡ ነቲ ሹዱሽተ ዓለባ ኸኣ ንበይኑ ኣጋጠሞ። 17ኣብቲ ቐዳማይ እተጋጠመ ኣብ ጥርዚ እቲ ወሰናይ ዓለባ ሓምሳ መኸንትቦ ገበረ። ኣብቲ ኻልኣይ እተጋጠመ ኸኣ ኣብ ጥርዚ እቲ ወሰናይ ዓለባ ሓምሳ መኸንትቦ ገበረ። 18እቲ መደረብታ ኽጋጠም እሞ ሓደ ክኸውንሲ፡ ሓምሳ ቝልፊ ኣስራዚ ገበረ። 19ነቲ መደረብታ ድማ ካብ እተቐረጸ ቘራብቲ ደዓውል መኽደን ገበረ። ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ካብ ቈርበት ተሃስ ካልእ መኽደን ገበረ። 
   20ነቲ ማሕደር ከኣ ካብ ዕጨይቲ ሽጢም ደው ዝብል ኣልዋሕ ገበረ። 21ምንዋሕ ሓደ ሉሕ ዓሰርተ እመት፡ ምግፋሕ ሓደ ሉሕ ከኣ እመትን ፈረቓን ነበረ። 22ነንሓደ ሉሕ ከክልተ ንሓድሕዱ እተጋጠመ ሸኻል ገበረ፡ ንዅሉ እቲ ኣልዋሕ ማሕደር ከምኡ ገበረ። 23እሞ ነቲ ማሕደር ዝኸውን ኣልዋሕ፡ ዕስራ ሉሕ ብሸነኽ ደቡብ ገበረ። 24ኣብ ትሕቲ እቲ ዕስራ ሉሕ ድማ ካብ ብሩር ኣርብዓ እግሪ ገይሮም፡ ኣብ ትሕቲ ሓደ ሉሕ ነቲ ኽልተ ሸኻሉ ኽልተ እግሪ፡ ኣብ ትሕቲ እቲ ኻልእ ኣልዋሕ ከኣ ነቲ ኽልተ ሸኻሉ ኽልተ እግሪ ገበረ። 25በቲ ኻልኣይ ወገኑ ነቲ ማሕደር፡ ብሸነኽ ሰሜን ድማ ዕስራ ሉሕ፡ 26ምስ ኣርብዓ ብሩር እግሩ፡ ኣብ ትሕቲ ሓደ ሉሕ ክልተ እግሪ፡ ኣብ ትሕቲ ሓደ ሉሕ ክልተ እግሪ ገበረ። 27ብሸነኽ ድሕሪኡ ነቲ ማሕደር፡ ብሸነኽ ምዕራቡ ድማ ሽዱሽተ ሉሕ ገበረ። 28ነቲ ማሕደር ብሸነኽ ድሕሪኡ ኸኣ ንዀረንዑ ኽልተ ሉሕ ገበረ። 29እዚ ኻብ ታሕቲ ጀሚሩ ድርብ ነበረ፡ ክሳዕ ላዕሊ ኽሳዕ እቲ ቐዳማይ ቀለቤት፡ ብመልኡ ኸምኡ ነበረ። ንኽልቲኡ ኣብቲ ኽልተ ዅርናዕ ከምኡ ገበረ። 30እቲ ኣልዋሕ ሾሞንተ፡ እቲ ብሩር ኣእጋሩ ኸኣ ዓሰርተው ሹድሽተ እግሪ፡ ኣብ ተትሕቲ ሓደ ሉሕ ክልተ እግሪ ነበረ። 31ጋድማት ድማ ካብ ዕጨይቲ ሽጢም ገበረ፡ ብሓደ ሸነኽ ማሕደር ንዘሎ ኣልዋሕ ሓሙሽተ፡ 32ብኻልኣይ ሸነኽ ማሕደር ንዘሎ ኣልዋሕ ከኣ ሓሙሽተ ጋድም፡ ብድሕሪ ማሕደር ብሸነኽ ምዕራቡ ንዘሎ ኣልዋሕ ድማ ሓሙሽተ ጋድም ገበረ። 33ነቲ ማእከላይ ጋድም ከኣ ብማእከል እቲ ኣልዋሕ ገይሩ ኻብቲ ሓደ ወሰን ናብቲ ኻልኣይ ወሰን ከም ዝሓልፍ ገበሮ። 34ነቲ ኣልዋሕ ብወርቂ ለበጦ፡ እቲ ጋድማት ዝኣትዎ ቐላብቱ ድማ ካብ ወርቂ ገበሮ፡ ነቲ ጋድማትውን ብወርቂ ለበጦ።
   35ነቲ መጋረጃ ድማ ምስናይ ብብልሓት ፈላጥ እተገብሩ ኪሩቤል ገይሩ፡ ካብ ሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን እተፋሕሰ ልሕጺ እንጣጢዕን ገበሮ። 36ኣርባዕተ ዓንዲ ሽጢም ድማ ገበረሉ።ብወርቂ ኸኣ ለበጦ፡ መሰቓቐሊኡውን ካብ ወርቂ ገበረ። ኣርባዕተ እግሪ ብሩር ድማ ብፍሲ ገበረሉ። 37መጋረጃ ኣፍ ደገ ድንኳን ከኣ ካብ ሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን እተፋሕሰ ልሕጺ እንጣጢዕን ገይሩ ጠለፎ። 38ነቲ ሓሙሽተ ኣዕኑድ ድማ ምስ መሰቓቐሊኡ ገበሮ። ነቲ ጕልላትን ኣዛንጉን ብወርቂ ለበጦ። እቲ ሓሙሽተ እግሩ ኸኣ ኣስራዚ ነበረ።

        ዘጸኣት  ምዕራፍ 37    

   1በሳልኤል ድማ ካብ ዕጨይቲ ሽጢም ታቦት ገበረ፡ ምንዋሑ ክልተ እመትን ፈረቓን፡ ምግፋሑ ኸኣ እመትን ፈረቓን፡ ምብራኹውን እመትን ፈረቓን ነበረ። 2ውሽጡን ግዳሙን ድማ ብጹሩይ ወርቂ ለበጦ። ዙርያኡ ኸኣ ኣኽሊል ወርቂ ገበረሉ። 3ኣርባዕተ ቐለበት ወርቂ ኣፍሲሱ ኣብ ኣርባዕቲኡ እግሩ፡ ክልተ ቐለበት ብሓደ ሸነኽ፡ ክልተ ቐለበት ከኣ ብኻልኣይ ሸነኹ ገበሮ። 4መሰላታት ከኣ ካብ ዕጨይቲ ሽጢም ገይሩ ብወርቂ ለበጦ። 5እቲ ታቦት ብእኡ ምእንቲ ኽጽወር ድማ፡ ነቲ መሰላታት ናብቲ ኣብ ጎቦታት ታቦት ዘሎ ቐላብቲ ኣእተዎ። 6መኽደን መተዓረቒ ኸኣ ካብ ጽሩይ ወርቂ፡ ክልተ እመትን ፈረቓን ዝምንዋሑ፡ እመትን ፈረቓን ዝምግፋሑ ገበረ። 7ክልተ ኪሩቤል ድማ ካብ ወርቂ ገበረ። ብምቕጥቃጥ ሰሪሑ፡ ንመኽደን መተዓረቒ ኣብ ክልተ ወሰኑ ገበሮም። 8ሓደ ኪሩቤል በዚ ወሰንዚ፡ ሓደ ኪሩቤል ከኣ በቲ ወሰንቲ፡ ነቶም ኪሩቤል ምስቲ መኽደን መተዓረቒ ብሓደ ገይሩ፡ ኣብ ክልቲኡ ወሰኑ ገበሮም። 9እቶም ኪሩቤል ከኣ ንሓድሕዶም ገጽ መሊሶም፡ ኣኽናፎም ልዕል ኣቢሎም ዘርጊሖም፡ ንመኽደን መተዓረቒ በኽናፎም ከወልዎ። ገጽ እቶም ኪሩቤል ናብ መኽደን መተዓረቒ ኣቢሉ ነበረ። 
   10ሰደቓ ድማ ካብ ዕጨይቲ ሽጢም ገበረ፡ ምንዋሑ ኽልተ እመት፡ ምግፋሑውን እመት፡ ምብራኹ ኸኣ እመትን ፈረቓን ነበረ። 11ብጽሩይ ወርቂ ለበጦ፡ ነቲ ዙርያኡ ድማ ኣኽሊል ወርቂ ገበረሉ። 12ነቲ ዙርያኡ ኸኣ ጋት ዝምግፋሑ ክቡስ ገበረሉ፡ ነቲ ኽቡስ ከኣ ኣብ ዙርያኡ ኣኽሊል ወርቂ ገበረሉ። 13ኣርባዕተ ቐለበት ወርቂ ኣፍሰሰሉ፡ ነተን ቀላብቲ ድማ ኣብቲ ኣርባዕተ እግሩ ዘሎ ኣርባዕተ መኣዝኑ ገበረን። 14እቲ ቐላብቲ፡ መሰላታት ምእንቲ ኽኣትዎ እሞ እቲ ሰደቓ ብእኡ ኽጽወር፡ ኣብ ጥቓ እቲ ኽቡስ ነበረ። 15እቲ ሰደቓ ብእኡ ኽጽወር፡ ነቲ መሰላታት ካብ ዕጨይቲ ሽጢም ገበሮ ብወርቂ ድማ ለበጦ። 16እቲ ኣብ ሰደቓ ዝንበር ኣቓሑ፡ ሒላባውቱን ጭሐሎታቱን ጽዋኣቱን እቲ መስዋእቲ መስተ ዝኽዕዉሉ ዅስኵስትታትን፡ ካብ ጽሩይ ወርቂ ገበሮ። 
   17ቀዋሚ ቐንደል ድማ ካብ ጽሩይ ወርቂ ገበረ። ንቐዋሚ ቐንዴል ምስ እግሩን ዘንጉን ብምቕጥቃጥ ገበሮ። ጽዋኣቱን ከበብቱን ዕምባባታቱን ምስኡ ብሓደ ነበረ። 18ካብ ጎቦታቱ ሹድሽተ ጨንፈር፡ ካብቲ ቐዋሚ ቐንዴል ብሓደ ጎቦኡ ሰለስተ ጨንፈር፡ ካብቲ ቐዋሚ ቐንዴል ብኻልኣይ ጎቦኡ ድማ ሰለስተ ጨንፈር ወጹ። 19ኣብ ሓደ ጨንፈር፡ ዕምባባ ለውዚዝመስል ሰለስተ ጽዋእ መምስ ክበብን ዕምባባን፡ ኣብቲ ኻልኣይ ጨንፈር ድማ ዕምባባ ለውዚዝመስል ሰልስተ ጽዋእ መምስ ክበቡን ዕምባባን ነበረ። ኣብቲ ኻብ ቀዋሚ ቐንዴል ዝወጸ ሹድሽቲኡ ጨንፈር ከምኡ ነበረ። 20ኣብቲ ቐዋሚ ቐንዴል ከኣ ዕምባባ ለውዚዝመስል ኣርባዕተ ጽዋእ መምስ ክበቡን ዕምባባታቱን ነበረ። 21ኣብ ትሕቲ እቲ ኻብኡ ዝወጸ ኽልተ ጨንፈር ሓደ ኽበብ፡ ኣብ ትሕቲ እቲ ኻብኡ ዝወጸ ኽልተ ጨንፈር ከኣ ሓደ ኽበብ፡ ኣብ ትሕቲ እቲ ኻብኡ ዝወጸ ኽልተ ጨንፈር ድማ ሓደ ኽበብ። እሞ እቲ ኻብኡ ዝወጸ ሹድሽተ ጨንፈር ከምኡ ነበረ። 22ከበብቶምን ጨናፍሮምን ምስኡ ሓደ ነበረ። ኵሉ ኻብ ጽሩይ ወርቂ ብምቕጥቃጥ ሓደ ዀይኑ ተሰርሐ። 23ሾብዓተ ቕልዒ ቐንዴል ድማ ገበረሉ፡ መሳቐዪኡን መዋህለል ርስሓቱን ካብ ጽሩይ ወርቂ ገበረሉ። 24ንእኡን ንዅሉ ኣቓሑኡን ብሓደ ታለንት ጽሩይ ወርቂ ገበሮ። 
   25መሰውኢ ዕጣን ድማ ካብ ዕጨይቲ ሽጢም ገበረ። ምንዋሑ እመት፡ ምግፋሑ ኸኣ እመት፡ በርባዕቲኡ ወገን ማዕረ፡ ምብራኹ ድማ ክልተ እመት፡ ኣቕርንቱ ኸኣ ምስኡ ሓደ ነበረ። 26ላዕላዩን ጎቦታት ዙርያኡን ኣቕርንቱን ብጽሩይ ወርቂ ለቦጦ፡ ዙርያኡ ድማ ኣኽሊል ወርቂ ገበረሉ። 27ክልተ ቐለቤት ወርቂ ገይሩ ኸኣ ብኽልተ ጎቦኡ ኣብ ትሕቲ እቲ ኣኽሊል ገበሮ። እቲ መሰላታት ምእንቲ ኽኣትዎ ብእኡ ኽጽወር፡ ብኽልተ ሸነኹ ኣጥበቖ። 28ነቲ መሰላታት ከኣ ካብ ዕጨይቲ ሽጢም ገይሩ፡ ብወርቂ ለበጦ። 
   29ነቲ ቅዱስ ዘይቲ ቕብኣትን ነቲ ጽሩይ ምኡዝ ዕጣንን ድማ ከም ብልሓት እቶም ገበርቲ ጥዑም ጨና ገበሮ።

        ዘጸኣት  ምዕራፍ 38    

   1መሰውኢ ምሕራር ድማ ካብ ዕጨይቲ ሽጢም ገበረ፡ ምንዋሑ ሓሙሽተ እመት፡ ምግፋሑ፡ ኸኣ ሓሙሽተ እመት፡ ኣርባዕተ መኣዝኑ ማዕረ፡ ምብራኹ ድማ ሰለስተ እመት። 2ኣብ ኣርባዕቲኡ መኣዝኑ ኸኣ ኣቕርንቲ ገበረሉ፡ እቲ ኣቕርንቱ ምስኡ ሓደ ነበረ፡ በስራዚ ድማ ለበጦ። 3ኵሉ ኣቓሑ መሰውኢ ኸኣ ገበረ፡ መኣከብ ሓሙዅስትን መጽሓርያን ጭሐሎን መውግእ ስጋን ምድጃን፡ ንዅሉ ኣቓሑኡ ኻብ ኣስራዚ ገበሮ። 4ንመሰውኢ ዝኸውን ከም መንፊት ዝበለ መጋረዲ ኻብ ኣስራዚ ገይሩ ኣብ ትሕቲ ኣርከኑ፡ ብሸነኽ ታሕቲ ኽሳዕ ፍርቁ ዝበጽሕ ገበሮ። 5ነቲ ኣርባዕተ መኣዝን መጋረዲ ኣስራዚ ኸኣ መሰላታት ክኣትዎ፡ ኣርባዕተ ቐለቤት ኣፍሰሰሉ። 6መሰላታት ከኣ ካብ ዕጨይቲ ሽጢም ገበረ፡ በስራዚ ኸኣ ለበጦ። 7ነቲ መሰላታት ከኣ፡ ብእኡ ኽጽወር፡ ናብቲ ኣብ ጎቦታት መሰውኢ ዘሎ ቐላብቲ ኣእተዎ። ካብ ሉሕ ጓንጓ ገይሩ ሰርሖ። 
   8ገበራ ድማ ካብ ኣስራዚ፡ ኣጋሮኡውን ካብ ኣስራዚ ገበረ፡ ካብ መስትያታት እተን ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳን መርኻብ ዘገልግላ ዝነበራ ኣንስቲ ገበሮ። 
   9ኣጸድ ድማ ገበረ። ነቲ ኣጸድ ብሸነኽ ደቡብ፡ ካብ እተፋሕሰ ልሕጺ እንጣጢዕ ሚእቲ እመት ዝምንዋሑ መጋረጃታት ገበሮ። 10ኣዕኑዱ ዕስራ፡ ኣእጋሩውን ዕስራ ኻብ ኣስራዚ ነበረ፡ ናብቲ ኣዕኑድ መሰቓቐልን ኣዛንግን ከኣ ካብ ብሩር ነበረ። 11ብሸነኽ ሰሜን ድማ ሚእቲ እመት፡ ኣዕኑድ ዕስራ፡ ኣእጋሩ ኸኣ ዕስራ ኻብ ኣስራዚ፡ ናይቲ ኣዕኑድ መሰቓቐልን ኣዛንግን ከኣ ካብ ብሩር ነበረ። 12ብሸነኽ ምዕራብ ድማ ሓምሳ እመት ዝምንዋሑ መጋረጃታት፡ ኣዕኑድ ዓሰርተ፡ ኣእጋሩውን ዓሰርተ፡ ናይቲ ኣዕኑድ መሰቓቐልን ኣዛንግን ከኣ ካብ ብሩር ነበረ። 13ብሸነኽ ምብራቕ፡ በቲ ጸሓይ እትወጸሉ ድማ ሓምሳ እመት ነበረ። 14ነቲ ኣፍ ደገ ብሓደ ሸነኹ ዓሰርተው ሓሙሽተ እመት መጋረጃ ምስ ሰለስተ ዓንድን ሰለስተ እግርን ነበረ። 15ከምኡ ድማ ብኻልኣይ ሸነኽ፡ እሞ እቲ ኣፍ ደገ ኣጸድ በዝን በትን ዓዓሰርተው ሓሙሽተ እመት መጋረጃታት ምስ ሰለስተ ዓንዱን ሰለስተ እግሩን ነበሮ። 16ኵሉ መጋረጃታት ዙርያ እቲ ኣጸድ ካብ እተፋሕሰ ልሕጺ እንጣጢዕ ነበረ። 17ኣእጋር እቲ ኣዕኑድ ድማ ካብ ኣስራዚ ነበረ። ናይቲ ኣዕኑድ መሰቓቐልን ኣዛንግን ከኣ ካብ ብሩር ነበረ። ጕልላት እቲ ኣዕኑድ ድማ ብብሩር ተለቢጡ ነበረ፡ ኵሉ ኣዕኑድ እቲ ኣጸድውን ኣዛንግ ብሩር ነበሮ። 18መጋረጃ ኣፍ ደገ ኣጸድ ድማ ካብ ሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን እተፋሕሰ ልሕጺ እንጣጢዕን ተጠልፈ፡ ምንዋሑ ዕስራ እመት፡ ቍመቱ ኸኣ ብምግፋሑ ኸምቲ መጋረጃታት ኣጸድ ሓሙሽተ እመት ነበረ። 19ኣዕኑዱ ኣርባዕተ፡ ኣእጋሩውን ኣርባዕተ ኻብ ኣስራዚ ነበረ፡ መሰቓቐሊኡ ኸኣ ካብ ብሩር ነበረ፡ ጕልላቱን ኣዛንጉን ብብሩር ተለበጠ፡ 20ኵሉ ሽኻውልቲ ማሕደርን ናይቲ ኣጸድ ብዙርያኡን ካብ ኣስራዚ ነበረ። 
   21ጸብጻብ ናይቲ ማሕደር፡ ናይ ምስክር ማሕደር፡ ብትእዛዝ ሙሴ፡ ንኣልግሎት ሌዋውያን ብኢድ ኢታማር፡ ወዲ ኻህን ኣሮን፡ እተጸብጸበ እዚ እዩ። 22በሳልኤል፡ ወዲ ኡሪ ወዲ ሁር ካብ ነገድ ይሁዳ ድማ እቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ዅሉ ገበረ። 23ኦሆልያብ፡ ወዲ ኣሒሳማኽ ካብ ነገድ ዳን ከኣ፡ ምስኡ ነበረ፡ ንሱ ቐራጽን ብሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን ልሕጺ እንጣጢዕን ብልሓተኛ ኣላምን ጠላፍን ነበረ። 
   24እቲ ንዅሉ ዕዮ ቤተ መቕደስ ንመስርሒ ዝዀነ ዅሉ ወርቂ፡ እቲ እተዋህበ ወርቂ፡ ብሲቃል መቕደስ ዕስራን ትሽዓተን ታለንትን ሾብዓተ ሚእትን ሰላሳን ሲቃልን ኰነ። 25ካብቶም ናይ ኣኼባ እተቘጽሩ እተዋህበ ብሩር ድማ ብሲቃል መቕደስ ሚእቲ ታለንትን ሽሕን ሾብዓተ ሚእትን ሰብዓን ሓሙሽተን ሲቃል ኰነ። 26ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ካብቶም በቲ ቝጽሪ ዝሓለፉ፡ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ፡ እሞ ካብ ሹድሽተ ሚእትን ሰለስተን ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ሓምሳን ሰብ ሓደ ቤቃ፡ ንሱ ኸኣ ፈረቓ ሲቃል መቕደስ፡ በጽሐ። 27እቲ ሚእቲ ታለንት ብሩር ድማ ንምፍሳስ ኣእጋር መቕደስን ኣእጋር መጋረጃን፡ ሚእቲ ታለንት ንሚእቲ እግሪ፡ ሓደ ታለንት ንሓደ እግሪ ዀነ። 28በቲ ሽሕን ሾብዓተ ሚእትን ሰብዓን ሓሙሽተን ሲቃል ድማ ነቲ ኣዕኑድ መሰቓቐሊ ገበረሉ፡ ንጕልላቱ ኸኣ ለበጦ፡ ኣዛንግውን ገበረሉ። 29እቲ እተዋህበ ኣስራዚ ድማ ሰብዓ ታለንትን ክልተ ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ሲቃል እዩ። 30ብእኡ ኣእጋር ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብን መሰውኢ ኣስራዚን ናይ ኣስራዚ መጋረዲኡን ኵሉ ኣቓሑ መሰውእን፡ 31ኣእጋር ኣጸድ ብዙርያኡን ኣእጋር ኣፍ ደገ ኣጸድን ኵሉ ሽኻውልቲ ማሕደርን ኵሉ ሽኻውልቲ ኣጸድ ናይ ብዙርያኡን ገበረ።

        ዘጸኣት  ምዕራፍ 39

   1ድማ ካብ ሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን ኣብ መቕደስ ዘገልግሉሉ ኣልባስ ኣገልግሎት ኣጸቢቖም ገበሩ። ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ድማ ንኣሮን ቅዱሳት ኣልባስ ገበሩሉ። 
   2ነቲ ኤፎድ ካብ ወርቅን ሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን እተፋሕሰ ልሕጺ እንጣጢዕን ገበሮ። 3ነቲ ወርቂ ቐጥቂጦም ኣርቀቕዎ፡ ምስ ሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን ልሕጺ እንጣጢዕን ብናይ ፈላጥ ብልሓት ክእለም፡ ከም ፈትሊ ገይሮም ቀደድዎ። 4ንሓድሕዱ እተላገበ መናኩብ ገበሩሉ፡ ንሓድሕዱ ብኽልቲኡ ወሰኑ ተላገበ። 5እቲ ኣብ ልዕሊ ኤፎድ ዝነበረ እሞ ዝዕጠቕ ብብልሓት እተገብረ ቕናት ድማ ሓደ ዓይነት ዝስራሑ ምስኡ ብሓደ ነበረ። ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ ካብ ወርቅን ሰማያዊ ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን እተፋሕሰ ልሕጺ እንጣጢዕን ተገብረ። 
   6ኣዕናቝ እምኒ ብትትዖ ወርቂ እተኸበ፡ ከም ኣቓራርጻ ማሕተም ስም ደቂ እስራኤል እተቐርጾ ገበሩ። 7ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ድማ፡ እቲ ኣእማን ንመዘከርታ ደቂ እስራኤል ክኸውን፡ ኣብ መንኵብ ኤፎድ ገበሮ። 
   8ነቲ ሳንቃ ኣፍ ልቢ ድማ ብብልሓት ፈላጥ እተገብረ፡ ከምቲ ስራሕ ኤፎድ ገይሩ ኻብ ወርቅን ሰማያዊ ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን እተፋሕሰ ልሕጺ እንጣጢዕን ገበሮ። 9ኣርባዕቲኡ መኣዝኑ ማዕረ ነበረ፡ ነቲ ሳንቃ ኣፍ ልቢ ድርብ ገበርዎ፡ ምንዋሑ ስድሪ፡ ወርዱ ኸኣ ስድሪ፡ ድርብ ነበረ። 10ኣርባዕተ መስርዕ ኣዕናቝ ከኣ ኣዛነቑሉ። ኣብ ቀዳማይ መስርዕ፥ ሳርድዮንን ቶጳዝዮንን ስመራግዶስን። 11ኣብ ካልኣይ መስርዕ ድማ፥ ሰመንጉንን ሰፊሮስን ኣልማዝን። 12ኣብ ሳልሳይ መስርዕ ከኣ፥ ህያክቶስን ኣካትን ኣሜቲስጦስን። 13ኣብ ራብዓይ መስርዕ ድማ፥ ክሪሶሊትን ኦኒክስን ያስጲስን። ኣብቲ መዛነቒኡ ብትትዖ ወርቂ ተኸቢቡ ነበረ። 14እቲ ኣእማን ድማ ከምቲ ስማት ደቂ እስራኤል፡ ከምቲ ስሞም ዓሰርተው ክልተ ነበረ። ነቶም ዓሰርተው ክልተ ነገድ ነፍሲ ወከፍ በብስሙ ኸም ቅርጺ ማሕተም ተቐርጸ። 15ኣብ ሳንቃ ኣፍ ልቢ ድማ ሰንሰላታት ካብ ጽሩይ ወርቂ ኸም ኣገባብራ ገመድ ብምጥዋይ ገበሩ። 16ክልተ ትትዖ ወርቅን ክልተ ቐለቤት ወርቅን ገበሩ እሞ ነቲ ኽልተ ቀለቤት ኣብ ክልተ መኣዝን ሳንቃ ኣፍ ልቢ ገበርዎ። 17ነቲ ኽልተ ትትዖ ወርቂ ድማ ኣብቲ ኽልተ ቐለቤት ኣብ ወሳስን ሳንቃ ኣፍ ልቢ ገበርዎ። 18ኽልተ ኻልእ ኣምፊ ናይቲ ኽልተ ትትዖ ድማ ኣብቲ ኽልተ መዛነቒ ኣጋጢሞም፡ ኣብቲ ኽልተ መንኩብ ኤፎድ ብሸነኽ ቅድሚት ገበርዎ። 19ክልተ ቐለቤት ወርቂ ሰሪሖም ድማ ናብቲ ኽልተ ወሰን ሳንቃ ኣፍ ልቢ ኣብ ሸነኽ ኤፎድ ዘሎ ውሽጣዊ ጥርዚ ገበርዎ። 20ድማ ክልተ ቐለቤት ወርቂ ገበሩ እሞ ኣብ ክልቲኡ መንኩብ ኤፎድ ብታሕቲ ብሸነኽ ቅድሚት ኣብ ልዕሊ እቲ ብብልሓት እተገብረ ቕናት ኤፎድ ኣብ ጥቓ እቲ ዝጋጠመሉ ገበርዎ። 21እቲ ሳንቃ ኣፍ ልቢ ኣብ ልዕሊ እቲ ብብልሓት እተገብረ ቕናት ኤፎድ ክኸውን፡ ካብቲ ኤፎድ ድማ ከይፈስስ፡ ነቲ ሳንቃ ኣፍ ልቢ ብቐላብቱ ምስ ቀላብቲ ኤፎድ ብሰማያዊ ገመድ ኣሰርዎ። ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ገበሩ። 
   22ነቲ ናይ ኤፎድ ቀምሽ ላዕሊ ድማ ኩሉ ብሰማያዊ ኻብ እተኣልመ ዓለባ ገበሮ። 23እቲ ኣብ ማእከል እቲ ቐምሽ ዘሎ ኣፍ ምእንቲ ኸይቅደድ፡ ከም ኣፍ ድርዒ ገይሩ ነቲ ኣፍ ዙርያኡ ቐምቀሞ። 24ነቲ ቐምሽ ከኣ ኣብ ታሕታይ ዘፈሩ ኻብ ሰማያውን ሕብሪ ድምን ጽሩይ ቀይሕን እተፋሕሰ ልሕጺ እንጣጢዕን ሮማናት ገበሩሉ። 25ቃጽላት ካብ ጽሩይ ወርቂ ገይሮም ድማ፡ ነቲ ቓጽላት ኣብ መንጎ እቲ ሮማናት፡ ኣብ ዘፈር እቲ ቐምሽ ዙርያኡ ኣብ መንጎ ሮማናት ገበርዎ። 26ምእንቲ ኸገልግሉሉ፡ ሓደ ቓጽልን ሓደ ሮማንን፡ ኣብ ዘፈር እቲ ቐምሽ ብዙርያኡ ገበሩ። ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ገበሩ። 
   27ንኣሮንን ንደቁን ድማ ካብ ልሕጺ እንጣጢዕ ብማእለማ እተኣለመ ቐመውሽ ታሕትን፡ 28መጠምጠምያ ኸኣ ካብ ልሕጺ እንጣጢዕ፡ ጌጸኛ ቀበውዕ ድማ ካብ ልሕጺ እንጣጢዕ፡ ስሬታትውን ካብ እተፋሕሰ ልሕጺ እንጣጢዕ፡ 29እቲ ኻብ እተፋሕሰ ልሕጺ እንጣጢዕን ሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን ብምጥላፍ እተዓየ ቕናት ድማ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ገበሩ። 
   30ነቲ ቅዱስ ኣኽሊል ድማ ወርቂ ብሊቃ ገበሩሉ፡ ኣብኡ ኸኣ ከም ኣቓራርጻ ማሕተም ገይሮም፡ ንእግዚኣብሄር እተቐደሰ፡ ዝብል ጽሕፈት ጸሓፉሉ። 31ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ኸኣ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ መጠምጠምያ ኽእሰር፡ ኣብኡ ሰማያዊ ፍሕሶ ገበሩሉ። 
   32ከምኡ ዅሉ ዕዮ ማሕደር ድንኳን ምርኻብ ተወድአ። ደቂ እስራኤል ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ዅሉ ገበሩ፡ ከምኡ ገበሩ። 33ድማ ነቲ ማሕደር፡ ነቲ ድንኳንን ኵሉ ኣቓሑኡን ኣቑላፉን ኣልዋሑን ጋድማቱን ኣዕኑዱን ኣእጋሩን ናብ ሙሴ ኣምጽእዎ። 34እቲ መደረብታ እተቐርጸ ቘራብቲ ደዓውልን እቲ መደረብታ ቘራብቲ ተሃስን እቲ ዝጋረድ መጋረጃን፡ 35ታቦት ምስክርን መሰላታቱን መኽደን መተዓረቕን፡ 36እቲ ሰደቓ ምስ ኵሉ ኣቓሑኡን እንጌራ ምርኣይን፡ 37እቲ ጽሩይ ቀዋሚ ቐንዴል ምስ ቅልዒ ቐነዲሉ፡ እቲ ዝዳሎ ቕልዒ ቐነዲልን ኵሉ ኣቓሑኡን ዘይቲ ንቐዋሚ ቐንዴልን፡ 38መስውኢ ወርቅን ዘይቲ ቕብኣትን ምኡዝ ዕጣንን መጋረጃ ኣፍ ደገ ድንኳንን፡ 39መሰውኢ ኣስራዚ፡ እቲ መጋረዲኡ ኣስራዚ፡ መሰላታቱን ኵሉ ኣቓሑኡን ገበራን ኣጋሮኡን፡ 40መጋረጃታት ኣጸድ፡ ኣዕኑዱን ኣእጋሩን መጋረጃ ኣፍ ደገ ኣጸድን፡ ኣግማዱን ሸኻውልቱን ኵሉ ኣቓሑ ንኣገልግሎት ማሕደር ንድንኳን ምርኻብ። 41እቲ ንኣገልግሎት መቕደስ ዝኸውን ኣልባስ ኣገልግሎት፡ ቅዱሳት ኣልባስ ኣሮን፡ ካህንን ናይ ደቁ ኣልባስ ክህነትን፡ 42ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ዅሉ፡ ደቂ እስራኤል ንዅሉ ዕዮ ኸምኡ ገበርዎ። 43ሙሴ ድማ ንዅሉ ዕዮ ረኣዮ፡ እንሆ ኸኣ ገይሮምዎ፡ ከምቲ እግዚኣብሄርዝኣዘዞ፡ ከምኡ ገበሩ። ሙሴ ድማ መረቖም።

        ዘጸኣት  ምዕራፍ 40  

   1እግዚኣብሄር ንሙሴ ከምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ 2ብቐዳመይቲ ወርሒ፡ ካብታ ወርሒ ኸኣ ብቐዳመይቲ መዓልቲ ነቲ ማሕደር ድንኳን ምርኻብ ትኸሎ። 3ነቲ ታቦት ምስክር ድማ ኣብኡ ኣንብሮ፡ ነቲ መጋረጃ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ታቦት ጋርዶ። 4ነቲ ሰደቓ ናብኡ ኣእቲኻ ድማ፡ እቲ ኣብኡ ዝንበር ኣቓሑ ስርዓሉ። ቀዋሚ ቐንዴል ኣእቲኻ ኸኣ፡ እቲ ቐነዲሉ ኣንብረሉ። 5ነቲ መዕጠኒ መሰውኢ ወርቂ ድማ ኣብ ቅድሚ ታቦት ምስክር ኣንብሮ፡ ነቲ መጋረጃ ኸኣ ኣብ ኣፍ ደገ ማሕደር ግበሮ። 6ነቲ መሰውኢ ምሕራር ድማ ኣብ ቅድሚ ኣፍ ደገ ማሕደር ድንኳን ምርኻብ ግበሮ። 7ነቲ ገበራ ድማ ኣብ መንጎ ድንኳን ምርኻብን መሰውእን ኣንብሮ፡ ማይ ከኣ ግበረሉ። 8ነቲ ኣጸድ ድማ ኣብ ዙርያኡ ግበሮ፡ ነቲ መጋረጃ ኸኣ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ኣጸድ ግበሮ። 9ዘይቲ ቕብኣት ወሲድካ ኸኣ ነቲ ማሕደርን ኣብኡ ንዘሎ ዅሉን ቅባእ፡ ንእኡን ንዅሉ ኣቓሑኡን ቀድሶ እሞ ቅዱስ ይኸውን። 10ንመሰውኢ ምሕራርን ንዅሉ ኣቓሑኡን ድማ ቅብኣዮ፡ ነቲ መሰውኢ ቐድሶ እሞ እቲ መስውኢ ቅዱስ ቅዱሳን ይኸውን። 11ነቲ ገበራን ንኣጋሮኡን ከኣ ቅብኣዮን ቀድሶን። 12ንኣሮንን ንደቁን ድማ ናብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ኣቕሪብካ ብማይ ሕጸቦም። 13ንኣሮን እቲ ቅዱስ ኣልባስ ከዲንካ ድማ ካህነይ ክኸውን፡ ቅብኣዮን ቀድሶን። 14ንደቁ ኸኣ ኣቕሪብካ ቐመውሽ ታሕቲ ኽደኖም። 15ነቦኦም ከም ዝቐባእካዮ፡ ንኣታቶም ድማ ካህናተይ ክዀኑኒ ቕብኣዮም። እቲ ምቕባኦም ከኣ ንውሉድ ወለዶኦም ንኽህነት ዘለኣለም ይኹነሎም። 
   16ሙሴ ድማ ከምቲ እግዚኣብሄርዝኣዘዞ ዅሉ ገበረ፡ ከምኡ ገበረ። 
   17ኰነ ኸኣ፡ እቲ ማሕደር ኣብ ቀዳመይቲ ወርሒ ኣብ ካልኣይቲ ዓመት፡ በታ ወርሒ ድማ ኣብ ቀዳመይቲ መዓልቲ ተተኽለ። 18ሙሴ ኸኣ ነቲ ማሕደር ኣቘሞ፡ ኣእጋሩ ተኺሉ ነቲ ኣልዋሑ ደው ኣበሎ፡ ጋድማቱ ኣእተወ ኣዕኑዱውን ተኸለ። 19ነቲ ድንኳን ከኣ ብልዕሊ እቲ ማሕደር ዘርግሖ፡ ኣብ ልዕሊኡ ድማ መደረብታ እቲ ድንኳን ገበረ። ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ገበረ። 20ነቲ ምስክር ወሲዱ ኸኣ ናብ ታቦት ኣእተዎ እሞ ነቲ ታቦት መሰላታት ገበረሉ፡ ነቲ መኽደን መተዕረቒ ከኣ ኣብ ልዕሊ ታቦት ኣንበሮ። 21ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ ነቲ ታቦት ናብ ውሽጢ ማሕደር ኣእተዎ፡ ነቲ ዝጋርድ መጋረጃ ድማ ሰቐሎ እሞ ነቲ ታቦት ምስክር ጋረደሉ። 22ነቲ ሰደቓ ከኣ ኣብ ድንኳን ምርኻብ ብሸነኽ ሰሜን ማሕደር፡ ብወጻኢ እቲ መጋረጃ ገበሮ። 23ነቲ ዝስራዕ እንጌራ ድማ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ኣብ ልዕሊኡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሰርዖ። 24ነቲ ቐዋሚ ቀንዴል ድማ ኣብቲ ድንኳን ምርኻብ፡ ኣብ መንጽር ሰደቓ ብሸነኽ ደቡብ ማሕደር ኣንበሮ። 25ነቲ ቕልዒ ቐንዴል ከኣ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብርሆ፡ 26ነቲ መሰውኢ ወርቂ ድማ ናብ ድንኳን ምርኻብ ኣብ ቅድሚ መጋረጃ ኣንበሮ። 27ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ድማ፡ ኣብኡ ምኡዝ ዕጣን ዓጠነ። 28ነቲ መጋረጃ ኸኣ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ማሕደር ገበሮ። 29ነቲ መሰውኢ ምሕራር ድማ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ማሕደር ድንኳን ምርኻብ ኣንበሮ እሞ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ ዝሓርር መስዋእቲ መስዋእቲ ብልዕን ኣብኡ ኣዕረገ። 30ነቲ ገበራ ድማ ኣብ መንጎ ድንኳን ምርኻብን መሰውእን ኣንቢሩ፡ ንምሕጻብ ዝኸውን ማይ ኣዕረቐሉ። 31ሙሴን ኣሮንን ደቁን ከኣ ኣእዳዎምን ኣእጋሮምን ካብኡ ይሕጸቡ ነበሩ። 32ናብ ድንኳን ምርኻብ ምስ ኣተዉን፡ ናብ መሰውኢ ምስ ቀረቡን፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ ይሕጸቡ ነበሩ። 33ኣብ ዙርያ ማሕደርን መሰውእን ከኣ ኣጸድ ኣቘመ፡ ነቲ ኣፍ ደገ መጋረጃ ጋረደሉ። ሙሴ ከኣ ነቲ ዕዮ ፈጸሞ። 
   34ሽዑ ነቲ ድንኳን ምርኻብ ደበና ኣጐልበቦ፡ ክብሪ እግዚኣብሄር ከኣ ነቲ ማሕደር መልኦ። 35እቲ ደበና ኣብ ልዕሊኡ ስለ ዝዓረፈ፡ እቲ ኽብሪ እግዚኣብሄር ድማ ነቲ ማሕደር መሊእዎ ስለ ዝነበረ፡ ሙሴ ናብ ድንኳን ምርኻብ ክኣቱ ኣይከኣለን። 36-38ብዅሉ እቲ ምጕዓዞም ደበና እግዚኣብሄር ኣብ ቅድሚ ዅሉ ቤት እስራኤል ብመዓልቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ማሕደር ነበረ፡ ብለይቲ ኸኣ ሓዊ ነበሮ እሞ፡ ደቂ እስራኤል ብዅሉ ምጕዓዞም እቲ ደበና ኻብ ልዕሊ እቲ ማሕደር ምስ ዝልዓል፡ ይነቕሉ ነበሩ። እቲ ደበና እንተ ዘይተላዕለ ግና፡ ክሳዕ እታ ዝልዓለላ መዓልቲ ኣይነቕሉን ነበሩ።

Leave a Reply

መጽሓፍ ቅዱስ ትግርኛ
ብሉይን ሓድሽን ኪዳን
ብሉይ ኪዳን
ሓድሽ ኪዳን
መጽሓፍ ቅዱስ ትግርኛ
ብሉይን ሓድሽን ኪዳን

ብሉይ ኪዳን

ሓድሽ ኪዳን