ትንቢት ዮኤል

   ትን.ዮኤል  ምዕራፍ 1
   1ንዮኤል ወዲ ጴቱኤል ዝመጾ ቓል እግዚኣብሄር እዚ እዩ፡
   2ኣቱም ኣረገውቲ፡ እዚ ስምዑ፡ ኣቱም ኣብ ሃገር እትነብሩ ዅላትኩምውን፡ ኣእዛንኩም ጽን ይበል። ብዘመንኩም ወይስ ብዘመን ኣቦታትኩም ከምዚ ዝበለዶ ዀይኑ እዩ፡3እዚ ንደቅኹም ኣዘንትዉሎም፡ ደቅኹም ከኣ ንደቆም፡ ደቆምውን ነቲ ዳሕራይ ወለዶ የዘንትዉሎም።4ካብ ኵብኵብታ ዝተረፈ ኣንበጣ በልዖ፡ካብ ኣንበጣ ዝተረፈ ኸኣ ጐደበ በልዖ፡ ካብ ጐደበ ዝተረፈ ድማ ሓሰኻ በልዖ።
   5ኣቱም ሰኸርቲ ንቕሑን ብኸዩን፡ ኣቱም ሰተይቲ ወይኒ ዅልኻትኩም፡ እቲ ዀልዒ ወይኒ ኻብ ኣፍኩም ተወሲዱ እዩ እሞ፡ ዋይዋይ በሉ።6ቍጽሪ ዘይብሉ ሓያል ህዝቢ ናብ ሃገረይ ደየበ፡ ኣስናኑ ኣስናን ኣንበሳ እዩ፡ ከም ናይ ዋዕሮ ዝበለ ምንጋጋ ኸኣ ኣለዎ።7ንተኽሊ ወይነይ ኣባደማ፡ ንኦም በለሰይ ፈሓቖ፡ ብጥራስ ቀንጠጦ፡ ደርበዮ፡ ጨናፍሩውን ጻዕደወ።
   8ከምታ ከሊ ተዓጢቓ ንሔማኣ እትበኽየሉ ድንግል ብኸዩ።9መስዋእቲ ብልዕን መስዋእቲ መስተን ካብ ቤት እግዚኣብሄር ጠፊኡ፡ እቶም ካህናት ኣገልገልቲ እግዚኣብሄር ይሓዝኑ ኣለዉ።10እኽሊ በሪሱ፡ ኰልዒ ወይኒ ነቒጹ፡ ዘይቲውን ቀምሲሉ እዩ እሞ፡ እታ ሃገር ባዲማ፡ ምድሪውን ትሓዝን ኣላ።11እቶት ግራሁ ጠፊኡ እዩ እሞ፡ ኣቱም ሓረስቶት፡ ብምኽንያት ስርናይን ስገምን ሕነኹ፡ ኣቱም ሰብ ኣታኽልቲ ወይኒውን፡ ዋይዋይ በሉ።12ተኽሊ ወይኒ ነቕጸ፡ ኦም በለስ ከኣ ቀምሰለ፡ ኦም ሮማንን ስየን ቱፋሕን ኵሉ ኣእዋም መሮርን ነቕጸ፡ እወ፡ ሓጐስ ካብ ደቂ ሰብ ነቐጸ።
   13መስዋእቲ ብልዕን መስዋእቲ መስተን ካብ ቤት ኣምላኽኩም ተኸልኪሉ እዩ እሞ፡ ኣቱም ካህናት፡ ተዓጠቑን ብኸዩን፡ ኣቱም ኣገልገልቲ መሰውኢ፡ ዋይዋይ በሉ፡ ኣቱም ኣገልገልቲ ኣምላኸይ ንዑ፡ ከሊ ተኸዲንኩም ሕደሩ።14ጾም ቀድሱ፡ ኣኼባ ጸውዑ፡ ንዓበይትን ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ዅላቶምን ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣክቡ፡ ናብ እግዚኣብሄር ከኣ ተማህለሉ።
   15መዓልቲ እግዚኣብሄር ቀሪባ ኣላ፡ ካብቲ ዅሉ ዝኽእልውን ከም መጥፍኢ ዀይና ኽትመጽእ እያ እሞ፡ ኣየ፡ እዛ መዓልቲ እዚኣ።16ግምቢ ኻብ ቅድሚ ዓይንና፡ ሓጐስን ደስታን ከኣ ካብ ቤት ኣምላኽናዶ ተወሲዱ ኣይኰነን፡17እቲ ዘርኢ ኣብ ትሕቲ ድንኵሉ መሽመሸ ፡ እኽሊ ሃጕጉ እዩ እሞ ቈፋፉ ባዶ ዀነ፡ መዓኽንውን ፈረሰ።18ኣየ፡ እንስሳታት ዓዕ ይብሉ። እተን መጓሰ ኣሓ ዝጓሰያሉ ስለ ዝሰኣና ቓህመማ፡ መጓሰ ኣባጊዕ ድማ ይስቀያ ኣለዋ።19ነቲ ኣብ በረኻ ዘሎ መጓሰይስ ሓዊ በሊዕዎ፡ ንዅሉ ኣእዋም መሮር ከኣ ሃልሃልታ ሞኽ ኣቢልዎ እዩ እሞ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ኣባኻ ኤእዊ ኣሎኹ።20ወሓዚ ማያት ነጺፉ፡ ነቲ መጓሰዪ በረኻ ድማ ሓዊ በሊዕዎ እዩ እሞ፡ እንስሳ መሮርውን ናባኻ የእውዩ ኣለዉ።

   ትን.ዮኤል  ምዕራፍ 2
   1መዓልቲ እግዚኣብሄር ትመጽእ ኣላ፡ ቀሪባ ኸኣ እያ እሞ፡ ኣብ ጽዮን መለኸት ንፍሑ፡ ኣብ ቅዱስ ከረነይ ድማ ኣእውዩ፡ ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ዘለዉ ዅላቶም የንቀጥቅጡ።2መዓልቲ ጸልማትን ጣቓን፡ መዓልቲ ደበናን ድቕድቕ ጸልማትን ከም ወጋሕታ ኣብ ልዕሊ ኣኽራን ይዝርጋሕ። ዓብይን ሓያልን ህዝቢ፡ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ኸምኡ ዝበለ ዘይነበረ፡ ድሕሪኡውን ክሳዕ ዓመታት ወለዶ ዝሓልፍ ከቶ ዘይኸውን።3ኣብ ቅድሚኡ ሓዊ ይበልዕ፡ ኣብ ድሕሪኡ ሃልሃልታ ሞኽ የብል። እታ ሃገር ኣብ ቅድሚኡ ኸም ገነት፡ ኣብ ድሕሪኡ ኸኣ ጸምጸም በረኻ እያ፡ ካብኡ ዘምልጥውን የልቦን።
   4ትርኢቶም ከም ትርኢት ኣፍራስ እዩ፡ ከም ፈረሰኛታት ይጐዩ።5ከምቲ ኣብ ርእሲ ኣኽራን ድዋዕዋዕ ዝብል ሰረገላታት፡ ከምቲ ሓሰር ክውሕጥ ከሎ ጥዋዕዋዕ ዝብል ሃልሃልታ ሓዊ፡ ከምቲ ንውግእ እተሰለፈ ሓያል ህዝቢ ይዘሉ።6ኣብ ቅድሚኦም ህዝብታት ይጭነቑ፡ኵሉ ገጽ ይጽልም።7ከም ጀጋኑ ይጐዩ፡ ከም ዝዋግኡ ሰብ ናብ ቀጽሪ ይድይቡ፡ ነፍሲ ወከፍ በብጐደናኡ ይሓልፍ ካብ መገዶም ኸኣ ኣየግልሱን።8ንብጻዩ ዝደፍእ የልቦን፡ ነፍሲ ወከፍ በብመገዱ ይሓልፍ፡ ናብ ማእከል ኣጽዋር ይኣትዉ ኣይቈስሉን ከኣ።9ናብታ ኸተማ ይወሩ፡ ኣብ ቀጽሪ ይጐዩ፡ ናብ ኣባይቲ ይድይቡ፡ ከም ሰራቒ ብመሳዅቲ ይኣትዉ።10ምድሪ ኣብ ቅድሚኦም ራዕራዕ ትብል፡ ሰማያት የንቀጥቅጥ፡ ጸሓይን ወርሕን ይጽልምታ፡ ከዋኽብቲ ከኣ ብርሃኖም ይኽውሉ።11ሰፈር ሰራዊቱ ኣዝዩ ዓብዪ እዩ፡ እቲ ንቓሉ ዝፍጽም ከኣ ሓያል እዩ፡ እግዚኣብሄር ኣብ ቅድሚ ሰራዊቱ ድምጺ የስምዕ። እወ፡ መዓልቲ እግዚኣብሄር ዓባይን ኣዝያ እተፍርህን እያ፡ መንከ ኽጽመማ ይኽእል፡
   12እምብኣርሲ ሕጂውን ብጾምን ብብኽያትን ብቝዝማን ብምሉእ ልብኹም ናባይ ተመለሱ፡ ይብል እግዚኣብሄር።13ንሱ ንዅራ ደንጓዪ፡ብሳህሊ ኸኣ ምሉእ፡ ብእከይ ድማ ተጣዓሳይ፡ ርሕሩሕን መሓርን እዩ እሞ፡ክዳንኩም ኣይኰነን ልብኹም ደኣ ቕደዱ፡ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩምውን ተመለሱ።14ተጣዒሱ ዝምለስ እንተ ዀነ፡ ድሕሪኡ ድማ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብመስዋእቲ ብልዕን ብመስዋእቲ መስተን በረኸት ዝሓድግ እንተ ዀነ፡ መን ይፈልጥ፡
    15ኣብ ጽዮን መለኸት ንፍሑ፡ ጾም ቀድሱ፡ ኣኼባ ጸውዑ።16ህዝቢ ኣክቡ፡ ማሕበር ቀድሱ፡ ኣረገውቲ ኣክቡ፡ ቈልዑን ጡብ ዝጠብዉን ኣክቡ። መርዓዊ ኻብ ቤቱ ይውጻእ፡ መርዓት ከኣ ካብ ሕልፍኝኣ።17እቶም ካህናት ኣገልገልቲ እግዚኣብሄር ኣብ መንጎ ኣዳራሽን መሰውእን ይብከዩ ይበሉውን፡ ዎ እግዚኣብሄር ንህዝብኻ ንሓፎ፡ ነቲ ርስትኻ፡ ኣህዛብ ክገዝእዎ ኢልካ፡ ንመላገጺ ኣሕሊፍካ ኣይትሃቦ። ስለምንታይከ ኣብ ኣህዛብ፡ ኣምላኾም ኣበይ ኣሎ፡ ዝበሃል፡
   18እግዚኣብሄር ንሃገሩ ቐንኤ፡ ንህዝቡ ኸኣ ራሕርሐ።19እግዚኣብሄር ንህዝቡ መለሰሉ በሎውን፡ እንሆ፡ ኣነ፡ እኽልን ወይን ዘይትን ክሰደልኩም እየ፡ ብእኡ ኸኣ ክትጸግቡ ኢኹም፡ ድሕርዚ ኣብ ማእከል ህዝብታት መላገጺ ኣይክገብረኩምን እየ።20ነቲ ሰሜናዊ ካባኻትኩም ከርሕቖ፡ ናብ ደረቕን ዝዓነወን ባሕሪ፡ ዝባኑ ኸኣ ናብ ምዕራባዊ ባሕሪ እዩ ዓብዪ ነገር ገይሩ እዩ እሞ፡ ምብድባዱ ኽወጽእ፡ ምምሽማሹ ድማ ክድይብ እዩ።
   21ኣቲ ሃገር እግዚኣቢሄር ዓብዪ ነገር ገይሩ እዩ እሞ ኣይትፍርሂ፡ ተሓጐሲ ባህውን ይበልኪ።22እቲ እንስሳ መሮር፡ እቲ መጓሰዪ በረኻ ለምሊሙ፡ ኦም ፍሪኡ ይፈሪ፡ ኦም በለስን ተኽሊ ወይንን ከኣ ሓይሉ ይህብ ኣሎ እሞ፡ ኣይትፍርሁ።23ኣቱም ደቂ ጽዮን፡ ዝናም ጽድያ ብልክዕ ይህበኩም፡ ዝናም ጽድያን ጽብሓትን ከም ቀደሙ የውርደልኩም ኣሎ እሞ፡ ተሓጐሱ ብእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ባህ ይበልኩም።24ኣዕውዲ ኸኣ እኽሊ ኽመልእ፡ መጽመቝታትውን ወይንን ዘይትን ክጅርብብ እዩ።25ኣነ ኸኣ ኣቶም ኣንበጣን ኵብኵብታን ጐደበን ሓሰኻን፡ ኣባኻትኩም ዝሰደድክዎ ዓብዪ ሰራዊተይ ዝበልዐን ዓመታት ክኽሕሰኩም እየ26መብልዕ ክትበልዑ ክትጸግቡውን ኢኹም፡ ነቲ ተኣምራት ዝገበረልኩም ስም እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ድማ ከተመስግንዎ ኢኹም። ህዝበይውን ንዘለኣለም ኣይሓንኽን።27ኣነ ኣብ ማእከል እስራኤል ከም ዘሎኹ፡ ኣነ ኸኣ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከም ዝዀንኩ፡ ብጀካይ ድማ ካልእ ከም ዘየልቦ ኽትፈልጡ ኢኹም፡ ህዝበይውን ንዘለኣለም ኣይሓንኽን።
   28ብድሕርዚ ክኸውን እዩ፡ መንፈሰይ ናብ ልዕሊ ዅሉ ስጋ ክዅዑ እየ፡ ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን ክንበዩ፡ ኣረገውትኹም ሕልሚ ክሓልሙ፡ ኣጕባዝኩም ከኣ ራእይ ክርእዩ እዮም።29በተን መዓልታት እቲኤንሲ ኣብ ሰብኡትን ኣንስትን ባሮት እኳ መንፈሰይ ክዅዑ እየ።30ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ከኣ ተኣምራት፡ ደምን ሓውን ኣዕኑድ ትክን፡ ከርኢ እየ።31እታ ዓባይን መፍርሂትን መዓልቲ እግዚኣብሄር ከይመጸት፡ ጸሓይ ኣብ ጸልማት፡ ወርሒ ድማ ኣብ ደም ትልወጥ።32ክኸውን ከኣ እዩ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ፡ ኣብ ከረን ጽዮንን ኣብ የሩሳሌምን ኣብቶም እግዚኣብሄር ዝጽውዖም ተረፍን ምድሓን ክኸውን እዩ እሞ: ስም እግዚኣብሄር ዝጽውዕ ዘበለ ኹሉ ኽድሕን እዩ::

   ትን.ዮኤል  ምዕራፍ 3
   1እንሆ ኸኣ፡ በተን መዓልታት እቲኤንን በቲ ግዜ እትንን ንይሁዳን ንየሩሳሌምን ካብ ምርኮ ምስ መለስኩዎም፡2ብዛዕባ ህዝበይን ብዛዕባ ርስተይ እስራኤልን ነቶም ፋሕ ዘበልዎም ንምድረይ ከኣ እተማቐልዋ ኣህዛብ፡ ኣብኡ ምሳታቶም ንፍርዲ ኽኣቱስ፡ ንዅሎም ህዝብታት ክእክቦም፡ ናብ ለሰ ዮሳፋጥ ከኣ ከውርዶም እየ።3ንህዝበይ ዕጭ አውድቐሉ፡ ነመንዝራ ሰበይቲ ዋጋኣ ቘልዓ ሃቡ፡ ጓል ድማ ንወይኒ ሸጥዋ ሰተዩ ኸኣ።
   4-6ኣቱም ጢሮስን ሲዶናን ኵልኻትኩም ሃገር ፍልስጥኤምን፡ ምሳይ እንታይ ኣሎኩም፡ብሩረይን ወርቀይን ወሲድኩም፡ነቲ  ዘብህግ ክቡር ኣቓሖይ ከኣ ናብ መቓድስኩም ኣእቲኹም፡ንደቂይ ሁዳንን ደቂ የሩሳሌምን ከኣ ካብ ዶቦም ከተርሕቕዎምሲ፡ናብ ደቂ ዮናናውያን ሼጥኩምዎም  ኢኹም እሞ፡ፍዳዶ ክትፈድዩኒ ኢኹም፡ ምንም እኳ ፍዳ እንተፈዴኹምኒ፡ኣነ ቐልጢፈ ብድንገት ፍዳኹም ናብ ርእስኹም ክመልሰልኩም እየ።7እንሆ፡ ኣነ ኻብቲ ዝሸጥኩምዎም ስፍራ ኸበግሶም እየ፡ ፍዳኹምውን ናብ ርእስኹም ክመልሰልኩም እየ።8ነወዳትኩምን ነዋልድኩምን ናብ ኢድ ደቂ ይሁዳ ኽሸጦም እየ፡ ንሳቶምውን ናብቶም ኣብ ርሑቕ ዘለዉ ህዝቢ፡ ናብ ሰብ ሳባ ኽሸጥዎም እዮም። እዚ እግዚኣብሄር ተዛሪብዎ እዩ።
   9እዚ ኣብ ማእከል ህዝብታት ኣውጁ፡ ውግእ ኣዳልዉ፡ ነቶም ጀጋኑ ኣንቅሕዎም፡ ኵሎም ተዋጋእቲ ይቕረቡ፡ ይውጽኡ።10ማሕረሻኹም ሰይፊ፡ ማዕጺድኩም ከኣ ኲናት ስርሕዎ። እቲ ድኹም ድማ፡ ኣነ ጅግና እየ፡ ይበል።11ኣቱም ኣብ ከባቢ ዘሎኹም ኵልኹም ህዝብታት፡ ቀልጥፉ፡ ንዑ ተኣከቡ። ዎ እግዚኣብሄር፡ ኣብኡ ጀጋኑኻ ኣውርዶም።12ኣነ ነቶም ኣብ ዙርያ ዘለዉ ዅሎም ህዝብታት ክፈርድሲ፡ ኣብኡ ክቕመጥ እየ እሞ፡ እቶም ህዝብታት ይበገሱ፡ ናብ ለሰ ዮሳፋጥ ይውጽኡ።13እከዮም ስለ ዝዓበየ፡ ቀውዒ በጺሑ እዩ እሞ፡ ማዕጺድ ስደዱ፡ እቲ መጽመቝ መሊኡ፡ ኣጋንእ ከኣ ይጅርብብ ኣሎ እሞ፡ ንዑ ርገጹ።14መዓልቲ እግዚኣብሄር ኣብ ለሰ ምምዳብ ቀሪባ እያ እሞ፡ ጭፍራ፡ ጭፍራ ኣብ ለሰ ምምዳብ።15ጸሓይን ወርሕን ይጽልማ፡ ከዋኽብቲ ድማ ብርሃኖም ይሓብኡ።16እግዚኣብሄር ካብ ጽዮን ይጓዝም፡ ድምጹ ኻብ የሩሳሌም የስምዕ፡ ሰማይን ምድርን ከኣ የንቀጥቅጥ። ግናኸ እግዚኣብሄር ንህዝቡ መዕቈቢ፡ ንደቂ እስራኤል ድማ ዕርዲ እዩ።17ኣነ ኣብ ቅዱስ ከረነይ ኣብ ጽዮን ዝነብር እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከም ዝዀንኩ፡ ክትፈልጡ ኢኹም። የሩሳሌም ከኣ ቅድስቲ ኽትከውን እያ፡ ድሕርዚውን ጓኖት ኣይክሓልፍዋን እዮም።
   18በታ መዓልቲ እቲኣ ክኸውን እዩ፡ ኣኽራን ኰልዒ ወይኒ ክነትዑ፡ ኵርባታት ድማ ጸባ ከውሕዙ፡ ካብ ኵሉ ርባታት ይሁዳ ኸኣ ማይ ጃሕጃሕ ክብል እዩ። ካብ ቤት እግዚኣብሄርውን ዓይኒ ማይ ክፍልፍል፡ ንለሰ ሽጢም ድማ ከስትያ እዩ። 19ኣብ ምድሮም ንጹህ ደም ክዕዮም እዮም እሞ፡ ብሰሪ እቲ ንደቂ ይሁዳ እተገብረ ዓመጻ፡ ግብጺ ኽትባድም፡ ኤዶም ከኣ ጽምጽም በረኻ ኽትከውን እያ። 20ይሁዳ ግና ንዘለኣለም ትነብር፡ የሩሳሌም ከኣ ንውሉድ ወሎዶ። 21ኣነ ድማ ነቲ ዘየጽሬኽዎ ደሞም ከጽርዮ እየ። እግዚኣብሄር ኣብ ጽዮን ክነብር እዩ።

Leave a Reply

መጽሓፍ ቅዱስ ትግርኛ
ብሉይን ሓድሽን ኪዳን
ብሉይ ኪዳን
ሓድሽ ኪዳን
መጽሓፍ ቅዱስ ትግርኛ
ብሉይን ሓድሽን ኪዳን

ብሉይ ኪዳን

ሓድሽ ኪዳን