እብራውያን ምዕራፍ 2
1ስለዚ ምእንቲ ኸይንጠፍእ፡ ናብቲ ዝሰማዕናዮ ኣዚና ኸነቕልብ ይግብኣና እዩ። 2እቲ ብመላእኽቲ እተነግረ ቓል ካብ ዝጸንዕ፡ ኵሉ በደልን ዘይምእዛዝን ከኣ ቅኑዕ ፍዳኡ ኻብ ዝቕበል፡ 3-4ምስናይዚ ድማ፡ ኣምላኽ ከም ፍቓዱ ብትእምርትን ብተኣምራትን በበይኑ ብዝዀነ ሓይልታትን ብምዕዳል መንፈስ ቅዱስን እናመስከረ፡ ንሱ ኸኣ ብጐይታ ኽንገር ዝጀመረ፡ ካብቶም ዝሰምዕዎ ኸኣ ኣባና ዝጸንዐስ፡ ንሕና ግዳ ኽንድዚ ዝኣክል ምድሓን ዕሽሽ ካብ እንብል፡ ከመይ ጌርና ኽንመልቝ ይከኣለና፧
5ነታ ብዛዕባኣ እንዛረብ ዘሎና እትመጽእ ዓለምሲ ኣብ ትሕቲ መላእኽቲ ኣየግዝኣን። 6ግናኸ ሓደስ እኳ ኣብ ሓደ ስፍራ መስኪሩ ኣሎ፡ ከምዚ ኢሉ፡ ሰብ፡ ንስኻ ኽትዝክሮ፡ እንታይ እዩ፧ ወይስ ወዲ ሰብ፡ ንስኻ ክትኣልዮ፡ እንታይ እዩ፧ 7ካብ መላእኽቲ ቕሩብ ኣንኣስካዮ፡ ኣኽሊል ክብርን ግርማን ከለልካዮ፡ ኣብ ግብሪ ኣእዳውካ ኸኣ ሸምካዮ። 8ንዅሉውን ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩ ኣግዛእካዮ። ንዅሉ ኸግዝኣሉ ኸሎ፡ ንእኡ ዘይግዝኦ ሓንቲ እኳ ኣይሓደገን። ግናኸ ኵሉ ኸም ዝገዝኦ፡ ንሕና ግና ሎሚ ኣይንርእዮን ኢና ዘሎና። 9ነቲ ብምኽንያት ስቅያት ሞቱ ኻብ መላእኽቲ ገለ ቕሩብ እተታሕተ የሱስ ግና፡ ብጸጋ ኣምላኽ ኣብ ክንዲ ዅሉ ሰብ ሞት ምእንቲ ኽጥዕምሲ፡ ኣኽሊል ክብርን ግርማን ተኸሊሉ ንርእዮ ኣሎና። 10እቲ ዅሉ ምእንታኡ ዅሉውን ብእኡ ዝዀነ፡ ንብዙሓት ውሉድ ናብ ክብሪ እናእተዎም፡ ነቲ ራእሲ ምድሓኖም ብስቅያት ክፍጽሞ ተገብኦ። 11-12ማለት፡ እቲ ዝቕድስን እቶም ዝቕደሱን ኵላቶም ካብ ሓደ እዮም። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ፡ ስምካ ነሕዋተይ ክነግሮም፡ ኣብ ማእከል ማሕበርውን ክዝምረልካ እየ፡ ኢሉ ኣሕዋተይ ንምባሎም ኣይሓፍርን እዩ። 13ደጊሙ ኸኣ፡ ኣነ ኣብኡ ኽውከል እየ፡ ከም ብሓድሽውን፡ እነኹ፡ ኣነን እቶም ኣምላኽ ዝሃበኒ ውሉድን፡ ይብል።
14-16እምብኣርሲ ብሓቂ ንዘርኢ ኣብርሃም ኣልዓሎ እምበር፡ ንመላእኽትስ ኣየልዓሎምን እሞ፡ እቶም ውሉድ ብደምን ስጋን ካብ ዝሓብሩስ፡ ብሞቱ ነቲ ሓይሊ ሞት ኣብ ኢዱ ዝሓዘ ምእንቲ ኽስዕር፡ ንሱውን ድያብሎስ እዩ፡ ነቶም ብፍርሃት ሞት ብዘሎ ዘመኖም ብባርነት ተታሒዞም ዝነበሩ ዅላቶም ሓራ ምእንቲ ኸውጽኦም ኢሉ፡ ንሱውን ብእኡ ሓበሮም። 17ስለዚ ነቲ ሓጢኣት ህዝቢ ምእንቲ ኸተዓርቕ፡ ብናይ ኣምላኽ ዘበለ ደንጋጽን እሙንን ሊቀ ኻህናት ምእንቲ ክኸውን ብዅሉ ነቶም ኣሕዋቱ ኽመስሎም ተገብኦ። 18ንሱ ባዕሉ ኽፍተን ከሎ ተሰቅዩ እዩ እሞ፡ ነቶም ዝፍተኑ ኽረድኦም ይከኣሎ እዩ።
እብራውያን ምዕራፍ 3
1-2ስለዚ ኸኣ፡ ኣቱም ካብቲ ሰማያዊ ጽውዓ ግደ ዘሎኩም ቅዱሳን ኣሕዋተይ፡ ከምቲ ሙሴ ድማ ኣብ ኵላ ቤቱ እሙን ዝነበረ፡ ናብቲ ነቲ ዝሸሞ እሙን ዝዀነ የሱስ፡ ናይ ምእማንና ሃዋርያን ሊቀ ኻህናትን ኣቕልቡ። 3ከምቲ እቲ ሰራሕ ቤት ካብታ ቤት ዝበልጽ ክብሪ ዘለዎ፡ ንእኡ ኸኣ ካብ ሙሴ ዝበልጽ ክብሪ ተገቢእዎ ኣሎ። 4ቤት ዘበለትሲ ሰራሒኣ ኣለዋ፡ እቲ ንዅሉ ዘዳለወ ግና ኣምላኽ እዩ። 5ሙሴስ ብዛዕባ እቲ ደሓር ክንገር ዘለዎ ነገር ምስክር ምእንቲ ክኸውን፡ ከም ጊልያ ዀይኑ ኣብ ኵላ ቤቱ እሙን ነበረ፡ 6ክርስቶስ ግና ከም ውሉድ ኣብ ልዕሊ ቤቱ እዩ። ትብዓትናን ትምክሕቲ ተስፋናን ክሳዕ መወዳእታ ኣጽኒዕና እንተ ሓዝናስ፡ ቤቱ ንሕና ኢና።
7ምእንትዚ መንፈስ ቅዱስ ከምዚ ይብል፡ ሎሚ ድምጹ እንተ ሰማዕኩም፡ 8ከምቲ ብነድሪ በታ መዓልቲ ፈተና ኣብ በረኻ ዝገበርኩምዎ፡ ልብኹም ኣይተትርሩ። 9ኣብኡ ኣቦታትኩም እናተዓዘቡ ፈተኑኒ፡ ግብረይ ከኣ ኣርብዓ ዓመት ረኣዩ። 10ስለዚ ነዚ ወለዶ እዚ ዀረኹሉ እሞ፡ ኵሉ ሳዕ ብልቦም ይስሕቱ፡ መገደይ ግና ኣይፈለጥዎን፡ በልኩ። 11ብቝጥዓይ ድማ፡ ናብ ዕረፍተይ ኣይክኣትዉን እዮም፡ ኢለ መሓልኩ።
12-13ኣቱም ኣሕዋተየ፡ ሎሚ ኽብሃል ከሎ፡ ኣብ ጸጽባሕ ንሓድሕድኩም ተማዓዓዱ እምበር፡ ሓደ እኳ ኻባኻትኩም፡ ሓጢኣት እናዓሸዎ ኸይተርር እሞ፡ ምናልባሽ ኣብ ሓደ ኻባኻትኩም ካብ ህያው ኣምላኽ ዘርሕቕ እኩይ ዘይኣምን ልቢ ኸይህሉ፡ ተጠንቀቑ። 14ነታ መጀመርታ እምንቶና ኽሳዕ መወዳእታ ኣጽኒዕና እንተ ሓዝናያስ፡ ተማቐልቲ ክርስቶስ ኴንና ኣሎና። 15ሎሚ ድምጹ እንተ ሰማዕኩም፡ ከምቲ ብነድሪ ልብኹም ኣይተትርሩ፡ እናተባህለ፡ 16ሰሚዖም ዘነደርዎኸ ኣየኖት እዮም፧ እቶም ሙሴ መሪሕዎም ካብ ግብጺ ዝወጹ ዅላቶም ደይኰኑን፧ 17ንመንከ እዩ ኣርብዓ ዓመት ዝዀረየሎም፧ ነቶም ሓጢኣት ዝገበሩ እሞ ሬሳኦም ኣብ በረኻ ዝወደቐ ደይኰነን፧ 18ንንመንከ እዩ ኣብ ዕረፍቱ ኸይኣትዉ ዝመሓለ፧ ነቶም ዘይተኣዘዙ ደይኰነን፧ 19ብሰሪ ዘይምእማን ክኣትዉ ኸም ዘይከኣሉውን፡ ንርኢ ኣሎና።
እብራውያን ምዕራፍ 4
1እምብኣርሲ ናብ ዕረፍቱ ንምእታው ተስፋ ኻብ ዝተርፈልና፡ ምናልባሽ ሓደ ካባኻትኩም ድሕሪት ተሪፉ ኸይህሉ፡ ንፍራህ። 2ንኣናውን ከምቲ ንኣታቶም ብስራት ተነጊሩልና ኣሎ እሞ፡ እቲ ዝሰምዕዎ ቓል ምስቶም ሰማዕቱ ብእምነት ስለ ዘይሓበረ ግና፡ ኣይጠቐሞምን። 3ግብሩ ኻብ ምስራት ዓለም ተወዲኡ ኽነሱ፡ ከምቲ ብቝጥዓይ፡ ናብ ዕረፍተይ ኣይክኣትዉን እዮም፡ ኢለ ዝመሓልክዎ፡ ከም ዝበለ፡ ንሕና እንእምንሲ ናብ ዕረፍቱ ንኣቱ ኢና። 4ብዛዕባ እታ ሳብዐይቲ መዓልቲ፡ ኣብ ገለ ስፍራ ኸምኡ፡ ኣምላኽ ድማ ካብ ኵሉ እቲ ግብሩ በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ዓረፈ፡ ኢሉ ኣሎ። 5ኣብኡ ኸኣ ደጊሙ፡ ኣብ ዕረፍተይ ኣይክኣትዉን እዮም፡ በለ። 6እምብኣርሲ ገለ ሰባት ዝኣትውዋ ተሪፋ ስለ ዘላ፡ እቶም ቅድም ብስራት እተነግረሎም ድማ ብሰሪ ዘይምእዛዞም ካብ ዘይኣተውዋ፡ 7ቀደም ከኣ፡ ሎሚ ድምጹ እንተ ሰማዕኩም፡ ልብኹም ኣይተትርሩ፡ ከም እተባህለ፡ ድሕሪ ነዊሕ ዘመን ብዳዊት ሎሚ ብምባል ኸም ብሓድሽ ሓንቲ ፍልጥቲ መዓልቲ ይምድብ ኣሎ። 8እያሱ ኣዕሪፍዎም እንተ ዝኸውንሲ፡ ድሕሪኡ ብዛዕባ ኻልእ መዓልቲ ኣይምተዛረበን ነይሩ።
9-10እምብኣርሲ እቲ ኣብ ዕረፍቱ ዝኣተወስ፡ ከምቲ ኣምላኽ ካብ ግብሩ ዝዓረፈ፡ ንሱውን ካብ ግብሩ ዓሪፉ ኣሎ እሞ፡ ንህዝቢ ኣምላኽ ዕረፍቲ ሰንበት ተሪፋትሎም ኣላ። 11ስለዚ ሓደ እኳ ናይቲ ዘይምእዛዝ ኣርኣያ ወሲዱ ኸይወድቕ፡ ናብታ ዕረፍቲ እቲኣ ክንኣቱ ንጋደል። 12ቃል ኣምላኽ ህያውን መስለጥን እዩ እሞ፡ ካብ ክልተ ዝኣፉ ሰይፊ ዝበልሕ እዩ፡ ነፍስን፡ መንፈስን፡ መፈላልዮ ኣካላትን ኣንጕዕን ክሳዕ ዝፈላሊ ዝሰጥም፡ ኣብ ምሕላንን ሓሳብ ልብን ከኣ ዝፈርድ እዩ። 13እቲ ጸብጻብ እንህቦ ኸኣ፡ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ዅሉ ጋህ ዝበለን ቅሉዕን እዩ እምበር፡ ኣብ ቅድሚኡ ዝሕባእ ፍጡር የልቦን።
14-15ደጊም ብዘይ ሓጢኣትሲ፡ ብዅሉ ኸምዚ ኸማና እተፈተነ እዩ እምበር፡ ብድኻምና ኽድንግጸልና ዘይክእል ሊቀ ኻህናት የብልናን እሞ፡ ብሰማያት ዝሓለፈ ዓብዪ ሊቀ ኻህናት፡ የሱስ ወዲ ኣምላኽ ካብ ዝህልወናስ፡ ምእማንና ነጽንዕ። 16ስለዚ ምሕረት ምእንቲ ኽንቕበል፡ ብግዜ ጸበባውን ንረዲኤትና ዝኸውን ጸጋ ኽንረክብ፡ ብትብዓት ናብ ዝፋን ጸጋ ንቕረብ።
እብራውያን ምዕራፍ 5
1ካብ ማእከል ሰብ እተወሰደ ሊቀ ኻህናት ዘበለስ፡ መባእን ሕሩድን ስለ ሓጢኣት ምእንቲ ኽስውእ፡ ብናይ ኣምላኽ ነገር ስለ ሰብ እዩ ዝሽየም፡ 2ንርእሱ ኸኣ ድኻም ስለ ዝጠበቖ፡ ነቶም ደናቝርትን እተጋገዩን ክድንግጸሎም ዝኽእል እዩ፡ 3ስለዚ ድማ ከምቲ ምእንቲ ህዝቢ፡ ከምኡውን ምእንቲ ርእሱ ስለ ሓጢኣት ክስውእ ተገብኦ። 4ከም ኣሮን፡ ብኣምላኽ እተጸውዐ ደኣ እምበር፡ ነዚ ኽብሪ እዚ ሓደ እኳ ባዕሉ ኣይወስዶን እዩ። 5ከምኡውን እቲ፡ ንስኻ ወደይ ኢኻ፡ ኣነ ሎሚ ወለድኩኻ፡ ዝበሎ ኣኽብሮ እምበር፡ ክርስቶስ ባዕሉ ሊቀ ኻህናት ምእንቲ ክኸውን ኢሉ፡ ርእሱ ኣየኽበረን። 6ኣብ ካልእ ስፍራ ድማ፡ ንስኻ ኸም መዓርግ መልከጸዴቅ ንዘልኣለም ካህን ኢኻ፡ ከም ዝብል። 7ንሱ ብዘመን ስጋኡ ኸሎ፡ ብብርቱዕ ኣውያትን ንብዓትን ናብቲ ኻብ ሞት ከድሕኖ ዝከኣሎ፡ ጸሎትን ምህልላን ምስ ኣቕረበን፡ ብዛዕባ ንኣምላኽ ምፍራሁ ምስ ተሰምዐን፡ 8ወዲ እኳ ኽነሱ፡ በቲ እተሰቀዮ ስቅያት ምእዛዝ ተማህረ። 9-10ከም መዓርግ መልከጸዴቅ ብኣምላኽ ሊቀ ካህናት ተሰምዩ፡ ፍጹም ምስ ኰነ ኸኣ፡ ነቶም ዝእዘዝዎ ዘበሉ ኵላቶም ንናይ ዘለኣለም ምድሓኖም ምኽንያት ኰኖም።
11ብዛዕባኡ ብዙሕ ነገር እንብሎ ነይሩናስ፡ ንምስማዕ ድንዙዛት ስለ ዝዀንኩም፡ ትርጉሙ ጭንቂ እዩ። 12ከም ምንዋሕ ዘመኑስ መምህራን ክትኰኑ እኳ ምተገብኣኩም ነይሩ፡ ነቲ ናይ መጀመርታ ትምህርቲ ቘልዑ ናይ ቃል ኣምላኽ ከም ብሓድሽ ክምህሩኹም የድልየኩም ኣሎ እሞ ጸባ ደኣ እምበር፡ ዕጹም ብልዒ ኣየድልየኩምን እዩ። 13ጸባ ዝቕለብ ዘበለ ዅሉ ቘልዓ እዩ እሞ፡ ብናይ ጽድቂ ነገር ፍቱን ኣይኰነን። 14ዕጹም ብልዒ ግና ነቶም ጽቡቕን ክፉእን ንምፍላይ ብምልማድ ንልቦናኦም ዘላምዱ ብጹሓት እዩ።
እብራውያን ምዕራፍ 6
1-2ስለዚ ናይ ክርስቶስ መጀመርታ ነገሩ ሓዲግና፡ ብንስሓ ኻብ ምዉት ግብሪ፡ ብእምነት ብኣምላኽ፡ ብትምህርቲ ጥምቀት፡ ብምንባር ኣእዳው፡ ብትንሳኤ ምዉታት፡ ብናይ ዘለኣለም ፍርዲውን ከም ብሓድሽ መሰረት ኣይንሰርት እሞ ናብ ፍጻሜ ንሕለፍ። 3ኣምላኽ እንተ ፈቐዶስ፡ ነዚ ድማ ክንገብሮ ኢና። 4ነቶም ሓደ ግዜ ብርሃን ዝበርሃሎም እቲ ሰማያዊ ውህበት ከኣ ዝጠዓሙ፡ ተማቐልቲ መንፈስ ቅዱስውን ዝዀኑ፡ 5እቲ ሰናይ ቃል ኣምላኽን ሓይሊ እታ እትመጽእ ዓለምን ከኣ ዝጠዓሙ፡ 6እንተ ወደቑ፡ ንወዲ ኣምላኽ ከም ብሓድሽ ንርእሶም ስለ ዝሰቕልዎ ብግሁዶውን ዘላግጹሉ ስለ ዝዀኑ፡ ከም ብሓድሽ ንንስሓ ኽሕደሱ ኣይከኣሎምን እዩ። 7እታ ብዙሕ ግዜ ነቲ ኣብኣ ዝወረደ ዝናብ ዝሰተየት ምድሪ ነቶም ብዛዕባኦም ዝሓርስዋ ዝጠቅም ፍረ እንተ ሃበቶም፡ ካብ ኣምላኽ በረኸት ትረክብ እያ። 8እሾዅን ዳንዴርን እንተ ኣብቈለት ግና፡ ንቅፍትን ጥቓ መርገምን እያ፡ መወዳእታኣውን ምንዳድ እዩ።
9-10ኣቱም ፍቁራተይ፡ ኣምላኽ ነቲ ነቶም ቅዱሳን ዘገልገልኩምዎምን እተገልግልዎም ዘሎኹምን ግብርኹም ንስሙውን ዝገበርኩምዎ ፍቕርኹም ዝርስዕ ገፋዒ ኣይኰነን እሞ፡ ብኣኻትኩምሲ፡ ከምዚ እኳ እንተ ተዛረብና፡ ዝሓይሽን ንምድሓን ብዝኸውንን ንእመን ኣሎና። 11-12ነቶም ብእምነትን ብትዕግስትን ነታ ተስፋ ዝወርስዋ ምእንቲ ኽትመስልዎም እምበር፡ ድንዙዛት ከይትዀኑስ፡ ነፍሲ ወከፍኩም ክሳዕ መወዳእታ ንምምላእ ተስፋኡን ንምጽንዓን እዚ ትግሃት እዚ ኸርኢ፡ ንደሊ ኣሎና።
13-14ኣምላኽ ንኣብርሃም ተስፋ ክህቦ ኸሎ፡ ዝምሕለሉ ኻብኡ ዝዓቢ ስለ ዘይተረኽበ፡ ብሓቂ እናባረኽኩ ኽባርኸካ፡ እናብዛሕኩ ኸብዝሓካን እየ፡ ኢሉ ብርእሱ መሓለ። 15ከምኡ ኸኣ ብትዕግስቲ ተጸበየ ነታ ተስፋ ረኸባ። 16ሰባት በቲ ኻብኦም ዝዓቢ እዮም ዝምሕሉ እሞ፡ እቲ ማሕላ ኸኣ መጽንዒ ስለ ዝዀነ፡ ንዅሉ ምጕቶም ይውድኣሎም እዩ። 17ስለዚ ኸኣ ኣምላኽ፡ እቲ ምኽሩ ኸም ዘይልወጥ ነቶም ወረስቲ ተስፋ ኣዝዮ ኸርእዮም ምስ ደለየ፡ ብማሕላ ኣብ መንጎ ኣተወ፡ 18በተን ኣምላኽ ክሕስወለን ዘይከኣል ክልተ ዘይልወጣ ነገር ጌርና፡ ንሕና ነታ ኣብ ቅድሜና ዘላ ተስፋ ንምሓዝ ሃዲምና ዝወጻእና፡ ብርቱዕ ምጽንናዕ ክንረክብ ኢና። 19-20ንሳ ድማ ከም መልህቅ ነፍሲ፡ ድልድልትን ጽንዕትን እያ እሞ፡ ናብቲ የሱስ ከም መዓርግ መልከጸዴቅ ንዘለኣለም ሊቀ ኻህናት ኰይኑ ኸም መራሒ ምእንታና ዝኣተዎ ውሽጢ እቲ መጋረጃ እተእትወና ተስፋ ኣላትና።
እብራውያን ምዕራፍ 7
1እዚ መልከጸዴቅሲ፡ ንጉስ ሳሌም፡ ካህን ልዑል ኣምላኽ፡ ንኣብርሃም፡ ነቶም ነገስታት ስዒሩ ኽምለስ ከሎ፡ እተቐበሎ እሞ ዝባረኾ፡ 2ኣብርሃም ድማ ካብ ኵሉ ዕሽር ዝመቐሎ፡ ቀዳማይ ትርጕም ስሙ፡ ንጉስ ጽድቂ፡ ደሓር ከኣ፡ ንጉስ ሳሌም፡ ማለት ንጉስ ሰላም እዩ። 3ብዘይ ኣቦ፡ ብዘይ ኣደ፡ ብዘይ ቍጽሪ ወለዶ፡ መጀመርታ መዓልትታት ወይስ መወዳእታ ህይወት ዘይብሉ፡ ግናኸ ንወዲ ኣምላኽ ተመሲሉ ንሓዋሩ ካህን ኰይኑ ይነብር ኣሎ።
4ኣብርሃም፡ እቲ ርእሲ ኣቦታት፡ ካብቲ ማል ዘመተ በብሉጹስ ዕሽር ዝሃቦ፡ ንሱ ኽንደይ ዓብዪ ምዃኑ፡ እስኪ ርኣዩ። 5ካብ ደቂ ሌዊ ድማ እቶም ክህነት ዝቕበሉ፡ ካብቲ ህዝቢ፡ ማለት ካብ ሕቘ ኣብርሃም እኳ ዝወጹ ኣሕዋቶም ክነሶምሲ፡ ዕሽር ክወስዱ ብሕጊ ትእዛዝ ኣለዎም። 6እዚ ግና ካብ ዘይወለዶኦም ክነሱስ፡ ካብ ኣብርሃም ዕሽር ወሰደ፡ ነቲ ተስፋ ረኺቡ ዘሎውን መረቖ። 7ብዘይ ገለ ውልውል ድማ እቲ ዝንእስ በቲ ዝዓብዮ ይምረቕ እዩ። 8ኣብዝስ መወትቲ ሰብ ዕሽር ይወስዱ፡ ኣብቲ ግና እቲ ህያው ምዃኑ እተመስከረሉ እዩ ዕሽር ዝወስድ። 9እዚ ምባለይ ከኣ ከምዚ እዩ፡ ሌዊ፡ እቲ ተቐባል ዕሽር እኳ፡ ብኣብርሃም ገይሩ ዕሽር ሃበ፡ 10ማለት፡ መልከጸዴቅ ንኣብርሃም ክራኸቦ ኸሎ፡ ሌዊ ገና ኣብ ሕቘ ኣቦኡ እዩ ዝነበረ።
11እምብኣርስከ ብቤተ ኽህነት ሌዋውያን ፍጻሜ እንተ ዝኸውንሲ፡— እቲ ህዝቢ ብእኡ ሕጊ ተሓጊጉሉ ነይሩ እዩ እሞ፡— ከም መዓርግ ኣሮን ዘይብሃል ካልእ ካህን ከም መዓርግ መልከጸዴቅ ዝዀነ ኽትንስእ ደኣ ንምንታይ መድለየ ነይሩ፧ 12ማለት ክህነት ካብ ዝልወጥ፡ ምልዋጥ ሕጊውን ብግዲ ክኸውን እዩ። 13እቲ ብዛዕባ እዚ እተባህለሉ ኻብ ካልእ ዓሌት እዩ፡ ካብቲ ዓሌት እቲ ሓደ እኳ ኣብ መሰወኢ ዘገልገለ የልቦን። 14ጐይታናስ ካብ ይሁዳ፡ ሙሴ ብናይ ዓሌት ካህናት ሓንቲ እኳ ዘይተዛረበሉ ዓሌት ከም ዝወጸ፡ ፍሉጥ እዩ። 15ሕጂ ኸኣ ዝበለጸ ግሉጽ እዩ፡ ብተምሳል መልከጸዴቅ ካልእ ካህን ካብ ዝትንስእሲ፡ 16-17ንስኻ ኸም መዓርግ መልከጸዴቅ ንዘለኣለም ካህን ኢኻ፡ ኢሉ ተመስኪሩሉ እዩ እሞ፡ ብዘይሓልፍ ሓይሊ ህይወት እምበር፡ ከም ሕጊ ስጋዊ ትእዛዝሲ ኻህን ኣይኰነን።
18እቲ ዝሓለፈ ትእዛዝ ድኹምን ዘይጠቅምን ስለ ዝዀነ እዩ እተሳዕረ፡— 19ሕጊ ንሓደ እኳ ኣብ ፍጻሜ ኣየብጽሖን፡— ግናኸ ናብ ኣምላኽ እንቐርበላ፡ እትሓይሽ ተስፋ ኣተወት። 20-21እዚ ግና በቲ፡ እግዚኣብሄር፡ ንስኻ ኸም መዓርግ መልከጸዴቅ ንዘለኣለም ካህን ኢኻ፡ ኢሉ መሓለ ኣይጠዓስን ከኣ እዩ፡ እተባህለሉ ማሕላ እዩ። እዚኣ ድማ ብዘይ ማሕላ ኸም ዘይኰነት፡— እቲኣቶምሲ ብዘይ ማሕላ ኻህናት ኰኑ፡— 22ከምኡ ድማ የሱስ መድሕን ዝሓሸ ኪዳን ኰነ። 23እቲኣቶምሲ ኸይነብሩ ብሞት ስለ እተኸልከሉ፡ ብዙሓት ካህናት ነበሩ። 24እዚ ግና ንዘለኣለም ዝነብር ስለ ዝዀነስ፡ ዘይሓልፍ ክህነት አለዎ። 25ስለዚ ድማ ነቶም ብእኡ ኣቢሎም ናብ ኣምላኽ ዝመጹ፡ ኵሉ ግዜ ምእንታኦም ክልምን ዝነብር ስለ ዝዀነ፡ ፈጺሙ ኸድሕኖም ይኽእል እዩ።
26ከምዚ ዘመሰለ ኽፍኣትን ርኽሰትን ዘይብሉ፡ ካብ ሓጥኣን እተፈልየ፡ ካብ ሰማያት ከኣ ልዕል ዝበለ ቅዱስ ሊቀ ኻህናት ኣድለየና። 27ንሱ ከምቶም ካልኦት ሊቃውንቲ ኻህናት ቅድም ምእንቲ ሓጢኣት ርእሱ፡ ደሓር ድማ ምእንቲ ሓጢኣት ህዝቢ ኣብ ጸጽባሕ መስዋእቲ ከቕርብ ዘየድልዮ እዩ እሞ፡ ርእሱ ንመስዋእቲ ምስ ወፈየ፡ ሓንሳእ ንሓዋሩ ገበሮ። 28ሕግስ ድኻም ንዘለዎም ሰባት እዩ ሊቃውንቲ ኻህናት ክዀኑ ዝሸሞም፡ እቲ ድሕሪ ሕጊ ዝመጸ ቓል ማሕላ ግና ንዘለኣለም ፍጹም ዝዀነ ወዲ እዩ ዝሸይም።
እብራውያን ምዕራፍ 8
1-2ሕጂ ድማ ነዚ እንብሎ ዘሎና ኣውራ ነገሩ እዚ እዩ፡ ንሕናስ ኣብ ሰማያት ኣብ የማን ዝፋን ግርማ እተቐመጠ፡ ናይቲ፡ ጐይታ ደኣ እምበር፡ ሰብ ዘይተኸሎ መቕደስን ድንኳን ሓቅን ኣገልጋሊ፡ ከምዚ ዘመሰለ ሊቀ ኻህናት ኣሎና። 3ሊቀ ኻህናት ዘበለ መባእን መስዋእትን ከቕርብ ይሽየም እዩ እሞ፡ ስለዚ ነዚውን ገለ ዘቕርቦ ኽህልዎ ብግዲ እዩ። 4እምብኣርከ ኣብ ምድሪ እንተ ዝኸውንሲ፡ ከምቲ ሕጊ ገይሮም መባእ ዘቕርቡ ስለ ዘለዉ፡ ንሱ ከቶ ኻህን ኣይምዀነን ነይሩ። 5እቲኣቶም ናይታ ሰማያዊት ምስልን ጽላሎትን ዘገልግሉ፡ ንሙሴ፡ እቲ ድንኳን ክገብር ክደሊ ኸሎ፡ ብራእይ ከም እተባህለሉስ፡ ኵሉ ኸምታ ኣብ ከረን ዝርኣኻያ ምስሊ ኽትገብር ኣስተብህል፡ በሎ። 6ሕጂ ግና ንሱ ማእከላይ ኣብ እትሓይሽ ተስፋ እተሰረተ፡ ዝበልጽ ኪዳንውን ከም ዝዀነ፡ ክሳዕ ክንድዚ ዝበለጸ ኣገልግሎት ረኸበ። 7ነቲ ቐዳማይ ኪዳን መንቀፊ እንተ ዘይህልዎ፡ ነቲ ኻልኣይሲ ስፍራ ኣይምተደልዮን ነይሩ። 8ስለዚ ኸኣ እናነቐፎም ከምዚ ይብል፡ እንሆ፡ ምስ ቤት እስራኤልን ምስ ቤት ይሁዳን ሓድሽ ኪዳን ዝኣትወለን መዓልትታት ኪመጻ እየን፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ 9ከምታ ብኢዶም ሒዘ ኻብ ምድሪ ግብጺ ኸውጽኦም ከሎኹ መዓልቲ ምስ ኣቦታቶም ዝኣቶኽዎ ኪዳን ኣይኰነን። ንሳቶም ብኺዳነይ ኣይጸንዑን እሞ፡ ኣነውን ሸለል በልክዎም፡ ይብል እግዚኣብሄር። 10ድሕሪ እተን መዓልትታት እቲኣተን ምስ ቤት እስራኤል ዝኣትዎ ኪዳን እዚ እዩ፡ ንሕጋጋተይ ኣብ ሓሳቦም ከእትዎ ኣብ ልቦምውን ክጽሕፎ እየ፡ ኣነ ኣምላኽ ክዀኖም እየ፡ ንሳቶምውን ህዝቢ ክዀኑኒ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር። 11-12ዓመጻኦም ክምሕር እየ እሞ፡ ንሓጢኣቶምውን ድሕርዚ ኣይክዝክሮን እየ፡ ካብ ንእሽቶኦም ክሳዕ ዓብዪኦም ዝፈልጡኒ ስለ ዝዀኑ፡ ነፍሲ ወከፍ ንወዲ ዓዱን ነፍሲ ወከፍ ንሓውን፡ ንእዝጊ ፍለጦ፡ ኢሉ ኣይክምህሮን እዩ። 13ሓድሽ ኪዳን ብምባሉ ነቲ ቐዳማይ ኣእረጎ። እቲ ዝኣረገን ዝበለየን ግና ንጥፍኣት ቀረባ እዩ።
እብራውያን ምዕራፍ 9
1ደጊም ነቲ ቐዳማይ ኪዳን ድማ ነገልግሎት እግዚኣብሄርን ንምድራዊ መቕደስን ሕጋጋት ነይርዎ። 2ድንኳን ተተኺሉ ነበረ እሞ፡ ኣብታ ቕድም እትርከብ፡ ቅድስቲ፡ እትብሃል ክፍሊ ቐንዴል ሰደቓን እንጌራታት ምርኣይን ነበራ። 3ብኽንየው እቲ ኻልኣይ መጋረጃ ግና ኣብቲ ድንኳን፡ ቅድስተ ቅዱሳን፡ እትብሃል ነበረት፡ 4ኣብኣ ጽንሃህ ወርቅን ብዅሉ ወገኑ ብወርቂ እተለበጠ ታቦት ኪዳንን ነበረ እሞ፡ ንሱ ነተን ማና ዝሓዘት ፍዮ ወርቅን ዝጠጥዐት ዘንጊ ኣሮንን ጽላት ኪዳንን ዝሕዝ ነበረ፡ 5ኣብ ልዕሊኡ ድማ ነቲ መንበር ጸጋ ዘጽልሉ ናይ ክብሪ ኪሩቤል ነበሩ። ብዛዕባዚ ሕጂ በብናቱ ኽንዛረበሉ ዘይኰነልና እዩ።
6እዚ ኸምዚ ዀይኑ ምስ ተዳለወ፡ እቶም ካህናት ኵሉ ሳዕ ኣብቲ ናይ ቅድሚት ድንኳን፡ ኣገልግሎቶም ከብጽሑ፡ ይኣትዉ እዮም። 7ኣብቲ ኻልኣይ ግና እቲ ሊቀ ኻህናት በይኑ ሓንሳእ ኣብ ዓመት ይኣቱ፡ ግናኸ ብዘይ እቲ ምእንቲ ርእሱን ምእንቲ ስሕተት ህዝብን ዘቕርቦ ደም ኣይኣቱን እዩ። 8እቲ ቐዳማይ ድንኳን ገና ቘይሙ ኸሎ፡ እቲ ናብታ መቕደስ ዘእቱ መገዲ ገና ኸም ዘይተገልጸ፡ መንፈስ ቅዱስ በዚ የርኢ ኣሎ። 9ንሱ ነዚ ሎሚ ዘሎ ዘመን ምሳሌ እዩ፡ ከምኡ ገይሮም ነቲ ኣገልጋሊ መቕደስ ብሕሊናኡ ፍጹም ክገብሮ ዘይከኣሎ መባእን መስዋእትን የቕርቡ ኣለዉ። 10እዚ ምስ መባልዕን መስተታትን በብዓይነቱ ምሕጻብን፡ እቲ ዘመን ምቕናዕ ክሳዕ ዝበጽሕ፡ ስጋዊ ስርዓት ጥራይ እዩ።
11ክርስቶስ ግና ናይቲ ዝመጽእ ሰናይ ነገር ሊቀ ካህናት ኰይኑ ምስ መጸ፡ በቲ ብሉጽን ፍጹምን ብኢድ ዘይተገብረ፡ ማለት ካብዚ ፍጥረት እዚ ዘይኰነ ድንኳን፡ 12ብደም ድቤላታትን ምራኹትን ዘይኰነስ፡ ብደም ርእሱ ናይ ዘለኣለም ምድሓን ረኺቡ ሓደ ግዜ ናብቲ መቕደስ ኣተወ። 13ስለዚ ደም ድቤላታትን ኣራውሕን ሓመዅስቲ ኣርሕን ኣብቶም ዝረኸሱ ተነጺጉ ንምጽራይ ስጋ ዝቕደስ ካብ ኰነስ፡ 14ደም ክርስቶስ ብናይ ዘለኣለም መንፈስ ገይሩ ርእሱ ብዘይ ጽያፍ ንኣምላኽ ዘቕረበ ግዳ፡ ንስኻትኩም ንህያው ኣምላኽ ከተገልግሉ ኽንደይ ኣዝዩ ንሕሊናኹም ካብ ምዉት ግብሪ ዘየንጽሆ።
15በዚ ምኽንያት እዚ እዩ ካብቲ ኣብ ቀዳማይ ኪዳን እተገብረ ኣበሳ ንምድሓን ዝኸውን ሞት ምስ ኰነ፡ እቶም ጽዉዓት ነታ ተስፋ ናይ ዘለኣለም ርስቲ ምእንቲ ክረኽቡ ኢሉ፡ ንሱ ማእከላይ ሓድሽ ኪዳን ዝዀነ። 16ለበዋ ኣብ ዘለዎስ ሞት እቲ እተላበወ ክኸውን ናይ ግዲ እዩ እሞ፡ 17ለበዋስ ድሕሪ ሞት እዩ ዝጸንዕ እምበር፡ እቲ እተላበወ ብህይወቱ ኽሳዕ ዘሎ፡ ገለ እኳ ዘስልጥ የብሉን። 18ስለዚ እቲ ቐዳማይ ኪዳን እኳ ብዘይ ደም ኣይተቐደሰን። 19-20ማለት፡ ሙሴ ኸምቲ ኣብ ሕጊ ዘሎ ገይሩ እቲ ትእዛዛት ዘበለ ንዅሉ ህዝቢ ምስ ነገሮ፡ ደም ምራኹትን ድቤላታትን ምስ ማይን ቀይሕ ጸጕርን ስምዕዛን ወሲዱ፡ ኣምላኽ ንኣኻትኩም ዝኣዘዞ ደም ኪዳን እዚ እዩ፡ ኢሉ፡ ኣብቲ መጽሓፍን ኣብ ኵሉ እቲ ህዝብን ነጸጎ። 21ከምኡ ድማ ነቲ ድንኳንን ንዅሉ እቲ ናይ ምግልጋል ኣቓሑን ደም ነጸገሉ። 22ከምቲ ሕጊ ኣስታት ኵሉ ብደም እዩ ዝጸሪ፡ ብዘይ ምፍሳስ ደምውን ይቕሬታ ኣይከውንን እዩ።
23እምበኣርሲ ምስሊ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ነገር በዚ ኽጸሪ፡ እቲ ሰማያዊ ንርእሱ ግና ካብዚ ብዝሓሸ መስዋእቲ ኽጸሪ ናይ ግዲ ነበረ። 24ክርስቶስ ሕጂ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክረኣየልና ናብኡ ናብታ ሰማይ ኣተወ እምበር፡ ኣብቲ ምስሊ ሓቂ፡ ኣብታ ብኢድ እተገብረት መቕደስ ኣይኰነን ዝኣተወ። 25ከምቲ ሊቀ ኻህናት በብዓመት ብደም ካልእ ናብ መቕደስ ዝኣቱ፡ ንሱ ብዙሕ ሳዕ ርእሱ ኽስውእ ኣይኣተወን። 26ብዘይ እዝስ ካብ ምስራት ዓለም ጀሚሩ ብዙሕ ሳዕ መከራ ኽጸግብ ምተገብኦ ነይሩ፡ ሕጂ ግና ብመስዋእቲ ርእሱ ንሓጢኣት ክስዕር ኢሉ እዩ ኣብ መወዳእታ ዘመናት ሓደ ግዜ እተገልጸ። 27ከምቲ ንሰብ ሓንሳእ ሙማት ብድሕሪኡውን ፍርዲ እተሰርዖ፡ 28ከምኡ ኸኣ እቲ ንሓጢኣት ብዙሓት ከርሕቕ ኢሉ ሓንሳእ እተሰውአ ክርስቶስ ንምድሓን እቶም ዝጽበይዎ ኻልኣይ ግዜ ብዘይ ሓጢኣት ክግለጽ እዩ።
እብራውያን ምዕራፍ 10
1ሕጊ፡ ጽላሎት እቲ ዝመጽእ ሰናይ ነገር ከለዎ፡ መልክዕ እቲ ቑም ነገሩ ዘይኰነስ፡ በቲ በብዓመቱ ኵሉ ሳዕ ዝስውእዎ መስዋእትታት ነቶም ዘቕርብዎ ከቶ ፍጹማት ክገብሮም ኣይከኣሎን እዩ። 2-3ግናኸ ኣብ ዓዓመት እዩ ብእኡ መዘከርታ ሓጢኣት ዝኸውን፡ ከምዚ እንተ ዘይከውንሲ፡ እቶም መስዋእቲ ዘቕርቡ ሓንሳእ ካብ ዝነጽሁ፡ ኣብ ሕሊናኦምውን ደጊም ሓጢኣት ካብ ዘይህልዎም፡ ካብ ምስዋእዶ ኣይምዓረፉን ነይሮም፧ 4ማለት፡ ደም ኣብዑርን ድቤላታትን ሓጢኣት ከርሕቕ ኣይከኣሎን እዩ። 5ስለዚ ናብ ዓለም ክኣቱ ኸሎ፡ ይብል፡ ስጋ ኣዳሎኻለይ እምበር፡ መስዋእቲ ሕሩድን መስዋእቲ ብልዕን ኣይደለኻን፡ 6ብዝሓርር መስዋእትን በቲ ስለ ሓጢኣት ዝስዋእን ባህ ኣይበለካን። 7ሽዑ ኸኣ ኣነ፡ እንሆ፡ ኣብቲ መጽሓፍ ብዛዕባይ ጽሑፍ እዩ፡ ዎ ኣምላኽ፡ ፍቓድካ ኽገብር ኢለ እመጽእ ኣሎኹ፡ በልኩ። 8ኣብ ላዕሊ፡ ከምቲ ሕጊ ገይሮም ዘቕርብዎ መስዋእቲ ሕሩድን መስዋእቲ ብልዕን ዝሓርር መስዋእትን ስለ ሓጢኣት ዝስዋእ ኣይደለኻን ብእኡውን ባህ ኣይበለካን፡ ኢሉ፡ 9ደሓር ከኣ፡ እንሆ፡ ፍቓድካ ኽገብር ኢለ እመጽእ ኣሎኹ፡ በለ። ምእንቲ ነቲ ዳሕራይ ከጽንዕ ኢሉ፡ ነቲ ቐዳማይ ሰዓሮ። 10በዚ ፍቓድ እዚ በቲ ሓንሳእ ንሓዋሩ ዝኣክል እተሰውአ መስዋእቲ ስጋ የሱስ ክርስቶስ ተቐዲስና ኣሎና።
11ካህን ዘበለ ዅሉ ኣብ ጸጽባሕ እናገልገለ ይቐውም እዩ እሞ ነቲ ሓጢኣት ከርሕቅ ከቶ ዘይከኣሎ መስዋእቲ ብዙሕ ሳዕ የቕርቦ ኣሎ። 12-14ክርስቶስ ግና ነቶም ዝቕደሱ ብሓንቲ መስዋእቲ ንሓዋሩ ፈጸሞም እሞ፡ ንሱ ንሓዋሩ እትኸውን ሓንቲ መስዋእቲ ስለ ሓጢኣት ምስ ኣቕረበ፡ እቶም ጸላእቱ መርገጽ እግሩ ኽሳዕ ዝዀኑ እናተጸበየ፡ ኣብ የማን ኣምላኽ ተቐመጠ። 15መንፈስ ቅዱስ ድማ ይምስክረልና ኣሎ፡ 16ድሕሪ እተን መዓልትታት እቲኣተን ምሳታቶም ዝኣተዎ ኪዳን እዚ እዩ፡ ይብል እግዝኣብሄር፡ ንሕጋጋተይ ኣብ ልቦም ክህቦም፡ ኣብ ሓሳቦምውን ክጽሕፎ እየ፡ ምስ በለ፡ 17ደጊም ሓጢኣቶምን ዓመጻኦምን ከቶ ኣይክዝክርን እዩ፡ ይብል። 18እምስኣርሲ ኣብቲ ናይ እዚ ይቕሬታ እዚ ዘለዎስ፡ ደጊም መስዋእቲ ስለ ሓጢኣት ኣየድልን እዩ።
19-20ስለዚ፡ ኣሕዋተየ፡ በቲ መጋረጃ፡ ማለት ብስጋኡ ዝቐደሰልና ሓድሽን ህያውን መገዲ ብደም የሱስ ናብ መቕደስ ንምእታው ትብዓት ካብ ዝህልወና፡ 21ኣብ ቤት ኣምላኽውን ዓብዪ ኻህን ካብ ዝህልወናስ፡ 22ልብና ኻብ ክፉእ ሕሊና ተነጺጉ፡ ስጋናውን ብጹሩይ ማይ ተሓጺቡ፡ ምሉእ ብተረዳእናዮ እምነት ብቕኑዕ ልቢ ንቕረብ። 23እቲ ተስፋ ዝሃበና እሙን እዩ እሞ፡ ነታ እሙንቶ ተስፋና ብዘይ ምንቕናቕ ነጽንዓያ። 24ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ንምንቕቓሕ ኣብ ንሓድሕድና ነስተብህል። 25እዚ ኸኣ እታ መዓልቲ እቲኣ ትቐርብ ከም ዘላ፡ ኣጸቢቕኩም ትርእዩ ኣሎኹም እሞ፡ ንሓድሕድና ንመዓዓድ እምበር፡ ገሊኣቶም ልማድ ከም ዝገብርዎ፡ ኣኼባና ኣይንሕደግ።
26-27ስለዚ ኸኣ ፍልጠት ሓቂ ምስ ረኸብና፡ ፈቲና ሓጢኣት እንተ ገበርና፡ ዘሰክሕ ምጽባይ ፍርድን ነቶም ተጻረርቲ እትበልዕ ቅንኢ ሓውን ክኸውን እዩ እምበር፡ ደጊምሲ ስለ ሓጢኣት ዝስዋእ መስዋእቲ የልቦን። 28እቲ ንሕጊ ሙሴ ዘፍረሰ ብቓል ክልተ ወይስ ሰለስተ ምስክር እዩ ብዘይ ድንጋጽ ዝመውት። 29ንወዲ ኣምላኽ ዝረገጸ፡ ነቲ እተቐደሰሉ ደም ኪዳን ከኣ ዘርከሰ፡ ንመንፈስ ጸጋውን ዝጸረፈ ግዳ ኽንደይ ዝገደደ ቕጽዓት ዘይግብኦ ይመስለኩም 30ንሕናስ ነቲ፡ ምፍዳይ ሕነ ናተይ እዩ፡ ኣነ ሕነ ኽፈዲ እየ፡ ዝበለ፡ ደጊሙ ኸኣ፡ እግዚኣብሄር ንህዝቡ ኽፈርዶ እዩ፡ ዝበለ፡ ንፈልጦ ኢና። 31ኣብ ኢድ ህያው ኣምላኽ ምውዳቕ ዘስክሕ እዩ።
32ነተን ብዙሕ ገድልን ስቓይን ተዓጊስኩም፡ ብርሃን እተቐበልኩምለን ቀዳሞት መዓልትታት ዘክርወን፡ 33ብሓደ ወገን ብጸርፍን ብጸበባን መላገጺ ዄንኩም፡ ብሓደ ወገን ድማ ምስቶም ከምዚ ዘመሰለ ዝበጽሖም ሰባት ተማቐልቲ ዄንኩም፡ 34ዝሓይሽን ዝነብርን ገንዘብ ኣብ ሰማይ ከም ዘሎኩም ፈሊጥኩም፡ ምስቶም እሱራት እንተ ዀነ፡ መከራ ጸገብኩም፡ ምግባት ገንዘብኩም ድማ እንተ ዀነ፡ ብሓጐስ ተዓገስኩም። 35እምብኣርሲ ነቲ ብዙሕ ዓስቢ ዘለዎ ትብዓትኩም ኣይትደርብይዎ። 36ፍቓድ ኣምላኽ እናገበርኩም፡ ነታ ተስፋ ምእንቲ ኽትረኽብዋስ፡ ትዕግስቲ የድልየኩም እዩ። 37ማለት፡ ገና ኣዝዩ ቕሩብ ዘመን እዩ፡ እቲ ዝመጽእ ክመጽእ እዩ ኣይክድንጕን ከኣ እዩ። 38ጻድቕ ግና ብእምነት እዩ ዝነብር፡ ንድሕሪት እንተ ተመልሰ ድማ፡ ነፍሰይ ብእኡ ባህ ኣይብላን እዩ። 39ንሕና ግና ምስቶም ምድሓን ነፍሶም ክረኽቡ ዝኣምኑ እምበር፡ ምስቶም ናብ ጥፍኣት ንድሕሪት ዝምለሱ ኣይኰንናን።
እብራውያን ምዕራፍ 11
1እምነት ግና ነቲ ተስፋ ዝግበሮ ነገር ርግጽ ምግባር፡ ናይቲ ዘይርአ ነገር ምርዳእ እያ። 2ብእኣ እዩ ነቶም ዓበይቲ እተመስከረሎም። 3ዓለም ብቓል ኣምላኽ ከም እተፈጥረት፡ ከምኡውን እቲ ዝረአ ኻብ ዘይርአ ኸም ዝዀነ፡ ብእምነት ነስተውዕሎ ኣሎና።
4ኣቤል ካብ መስዋእቲ ቃየል ዝበልጽ መስዋእቲ ንኣምላኽ ብእምነት ኣቕረበ። ኣምላኽ ብናይ መባኡ ኽምስክረሉ ኸሎ፡ ጻድቕ ምዃኑ ብእኣ ተመስከረሉ፡ ብምዉቱ ኸኣ ገና ብእኣ ገይሩ ይዛረብ ኣሎ። 5ሄኖክ፡ ሞት ምእንቲ ኸይርኢ፡ ብእምነት ገዓዘ፡ ቅድሚ ምግዓዙ ንኣምላኽ ከም ዘስመረ፡ ተመስኪሩሉ ነበረ እሞ፡ ኣምላኽ ስለ ዘግዓዞ፡ ኣይተረኽበን። 6ብዘይ እምነት ግና ንኣምላኽ ከስምርዎ ኣይከኣልን እዩ። እቲ ናብ ኣምላኽ ክመጽእ ዝደሊ፡ ንሱ ኸም ዘሎን ነቶም ዝደልይዎ ዓስቢ ኸም ዝህቦምን፡ ክኣምን ይግብኦ እዩ።
7ኖህ ብዛዕባ እቲ ገና ዘይተራእየ ነገር ራእይ ምስ ረኣየ፡ ብፍርሃት ኣምላኽ ተደሪኹ ብእምነት እዩ ንምድሓን ቤቱ እትኸውን መርከብ ዘዳለወ። ብእኣ ገይሩ ንዓለም ኰነና፡ ነቲ ብእምነት ዝርከብ ጽድቂ ኸኣ ወራሲ ዀነ። 8ኣብርሃም ናብቲ ንርስቲ ክቕበሎ እተኣመመሉ ስፍራ ክወጽእ ምስ ተጸውዐ፡ ብእምነት ተኣዘዘ፡ ናበይ ከም ዝኸይድ ከይፈለጠውን ወጸ። 9-10ነታ ኣምላኽ ዝሃናጺኣን ዝሰራሒኣን፡ መሰረት ዘለዋ ኸተማ ይጽበ ስለ ዝነበረ፡ ብእምነት ኣብታ ምድሪ ተስፋ ኸም ኣብ ምድሪ ጓና ዀይኑ ተቐመጠ እሞ ምስቶም ነዛ ተስፋ እዚኣ መዋርስቱ ይስሃቅን ያእቆብን ኣብ ድንኳን ይነብር ነበረ። 11ሳራ እኳ ግዜኣ ምስ ሓለፈ፡ ነቲ ተስፋ ዝሃባ እሙን ገይራ ስለ ዝረኣየቶ፡ ዘርኢ ንምትካል ብእምነት ሓይሊ ረኸበት። 12ስለዚ ድማ ካብ ሓደ፡ ንሱውን ከም ምዉት ክነሱስ፡ ከም ከዋኽብቲ ሰማይን ከምቲ ዘይቝጸር ኣብ ገምገም ባሕሪ ዘሎ ሑጻን ዝምብዛሖም ተወልዱ።
13እዚኦም ኵላቶም ነተን ተስፋታት ኣይረኸብወንን፡ ግናኸ ካብ ርሑቕ ርእዮም ተሳለምወን እሞ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ኣጋይሽን ስደተኛታትን ምዃኖም እናተኣመኑ፡ ብእምነት ሞቱ። 14እቶም ከምዚ ዝበሉ ኸኣ ሃገሮም ከም ዝደልዩ፡ የርእዩ ኣለዉ። 15ነታ ዝወጹላ ሃገር ሓሲቦም እንተ ዝዀኑስ፡ ክምለሱ ግዜ ነይርዎም። 16ሕጂ ግና እትሓይሽ፡ ማለት ሰማያዊት፡ ይናፍቑ ኣለዉ፡ ስለዚ ድማ ኣምላኽ፡ ከተማ ኣዳልዩሎም ኣሎ እሞ፡ ኣምላኾም ክብሃል ብኣታቶም ኣይሓፍርን እዩ።
17-18ኣብርሃም ምስ ተፈተነ፡ ብእምነት ንይስሃቅ ሰውኦ። እቲ ተስፋ እተቐበለ ነቲ፡ ብይስሃቅ ዘርኢ ኽጽወዓልካ እዩ፡ ተብሂሉሉ ዝነበረ ሓደ ወዱ ወፈዮ። 19ኣምላኽ ካብ ምዉታት ድማ ከተንስኦ ኸም ዝከኣሎ ሓሲቡ፡ ካብኡውን ብምሳሌ መሊሱ ረኸቦ። 20ይስሃቅ ብናይቲ ዝመጽእ ነገር ንያእቆብን ንኤሳውን ብእምነት ባረኾም። 21ያእቆብ ክመውት ከሎ፡ ንደቂ ዮሴፍ ንነፍሲ ወከፎም ብእምነት መረቖም፡ ኣብ ኣንፊ በትሩ ተመርኵሱ ኸኣ ሰገደ። 22ዮሴፍ ኣብ ኣጋ ሞቱ ብዛዕባ ምውጻእ ደቂ እስራኤል ብእምነት ኣዘከረ፡ ብዛዕባ ኣዕጽምቱውን ትእዛዝ ሃበ።
23ሙሴ ምስ ተወልደ፡ ወለዱ ጽቡቕ ሕጻን ምዃኑ ርእዮም፡ ብእምነት ሰለስተ ወርሒ ሓብእዎ፡ ኣዋጅ እቲ ንጉስውን ኣይፈርሁን። 24ሙሴ ምስ ዓበየ፡ ወዲ ጓል ፈርኦን ከይብሃል፡ ብእምነት ኣበየ እሞ፡ 25ካብ ንግዜኡ ብሓጢኣት ባህ ዝብሎስ ምስ ህዝቢ ኣምላኽ ደኣ መከራ ክጸግብ ሓረየ፡ 26ናብቲ ዓስቢ ጠመተ እሞ፡ ካብ መዝገብ ግብጽስ ነቲ ጸርፊ ክርስቶስ ኣዝዩ ብዙሕ ሃብቲ ገይሩ ቘጸሮ። 27ነቲ ዘይርአስ ከም ዝርእዮ ዀይኑ ተዓጊሱ ጸንዐ እሞ፡ ነቲ ዅራ ንጉስ ከይፈርሀ፡ ብእምነት ንግብጺ ሓደጋ። 28እቲ ቦዅሪ ዘጥፍእ ዝነበረ ምእንቲ ኸይቀርቦም፡ ብእምነት ፋስጋን ምንጻግ ደምን ገበረ። 29ብእምነት ከም ብንቑጽ ምድሪ ገይሮም ንባሕሪ ኤርትራ ተሳገርዎ፡ ግብጻውያን ግና ከምኡ ኽገብሩ ምስ ፈተኑ፡ ተዋሕጡ። 30ቀጽሪ ያሪኮ ሾብዓተ መዓልቲ ምስ ዞርዎ፡ ብእምነት ወደቐ። 31ረሃብ፡ እታ ኣመንዝራ፡ ነቶም ሰለይቲ ብሰላም ስለ እተቐበለቶም፡ ብእምነት ምስቶም ዘይእዙዛት ኣይጠፍአትን።
32እሞኸ ብዛዕባ እኒ ጊደዎን፡ እኒ ባራቅ፡ እኒ ሳምሶን፡ እኒ ይፍታሄ፡ እኒ ዳዊትን ሳሙኤልን ነብያትን እንታይ ክብል እየ፧ ብዛዕባኦም ከየዘንትወልኩም ግዜ ይሓጽረኒ እዩ። 33ንሳቶም ብእምነት ንመንግስትታት ሰዓሩ፡ ጽድቂ ገበሩ፡ ነቲ ተስፋ እተገብሮ ረኸቡ፡ ኣፍ ኣናብስ ዓጸዉ፡ 34ንሓይሊ ሓዊ ኣጥፍኡ፡ ካብ ስሕለት ኣስያፍ ደሓኑ፡ ካብ ድኻም በርትዑ፡ ኣብ ውግእ ሓየሉ፡ ንሰራዊት ኣህዛብ ኣህደምዎም። 35ኣንስቲ ንምዉታተን ብትንሳኤ ተቐቢለናኦም። ካልኦትውን ተሰቀዩ እሞ፡ ዝሓይሽ ትንሳኤ ምእንቲ ክረኽቡ ኢሎም ምሕረት ኣይደለዩን። 36ገሊኣቶም ድማ ብልግጫን ብመግረፍትን፡ ኣብ ልዕሊ እዚውን ብመቝሕን ማእሰርትን ተፈተኑ። 37ብዳርባ እምኒ ተቐትሉ፡ ተመገዙ፡ ተፈተኑ፡ ተሰይፎም ሞቱ፡ ኣጐዛ ኣባጊዕን ዲኖ ኣጣልን ተኸዲኖም ዞሩ፡ ሰኣኑ፡ ጸበቦም፡ ሓሳረ መከራ ጸገቡ።— 38ዓለም ንኣታቶም ዘይትበቅዕ ኰይናስ፡— ኣብ በረኻታትን ኣብ ኣኽራንን ኣብ በዓትታትን ኣብ ጐዳጕድ ምድርን ኰለል በሉ።
39-40ብጀካና ናብ ፍጻሜ ምእንቲ ኸይበጽሑስ፡ ኣምላኽ ብዛዕባና ዝሓይሽ ስለ ዝሓለየ፡ እዚኦም ኵላቶም፡ ብእምነት ተመስኪሩሎም ዘሎ፡ ነታ ተስፋ ኣይረኸብዋን።
እብራውያን ምዕራፍ 12
1ምእንትዚ ንሕና ድማ ብኽንድዚ ዝኣክል ደበና ምስክር ተኸቢብና ኸሎና፡ ንዅሉ ዝኸብደናን ነቲ ዝጠብቀናን ሓጢኣትን ነርሕቕ፡ በቲ ኣብ ቅድሜና ተሓንጺጹልና ዘሎ መቀዳደሚ ኸኣ ብትዕግስቲ ንጕየ። 2ናብቲ፡ ሕፍረት ንዒቑ፡ ስለቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ሓጐስ ኢሉ መስቀል እተዓገሰ ኣብ የማን ኣምላኽ እተቐመጠን ጀማር እምነትናን ደምዳሚኣን የሱስ ንጠምት። 3ምእንቲ ኸይትደኽሙን ነፍሳትኩም ከይሕለላን፡ ነቲ ኻብ ሓጥኣን ኣብ ርእሱ ኽንድዚ ዝኣክል ምጽራር እተዓገሰ ዘክርዎ።
4ምስ ሓጢኣት ብምቅላስኩም ገና ኽሳዕ ኣብ ደም እትበጽሑ ኣይተቓወምኩምን። 5-6እቲ ኸም ንውሉድ ገይሩ፡ ወደየ፡ እግዚኣብሄር ነቲ ዘፍቅሮ ይቐጽዖ እዩ እሞ፡ ነቲ ዝቕበሎ ዘበለ ውሉድውን ይገርፎ፡ ስለዚ ቕጽዓት ጐይታ ኣይትንዓቕ፡ እንተ ገንሓካውን ሕሊናኻ ኣይተዕርብ፡ ኢሉ ዝዛረበኩም ዘሎ ምዕዶ ኸኣ ረሲዕኩምዎ ኣሎኹም። 7ቅጽዓት እንተ ተዓገስኩም፡ ኣምላኽ ከም ውሉድ ገይሩ ይርእየኩም እዩ። ኣቦኡ ዘይቀጽዖኸ እንታዋይ ውሉድ እዩ፧ 8ብዘይ እታ ዅሎም ዝሓበሩላ ቕጽዓት እንተ ዀንኩም ግና፡ ደቓሉ እምበር፡ ውሉድ ኣይኰንኩምን። 9ኣብ ርእሲ እዚውን ዝቐጽዑና ኣቦታት ስጋና ኻብ ዝነብሩና እሞ ካብ እንሓፍሮም፡ ብህይወት ምእንቲ ኽንነብርሲ፡ ነቲ ኣቦ መናፍስቲ ኣዚና ኽንእዘዞዶ ኣይግብኣናን እዩ፧ 10እቲኣቶምሲ ንቕሩብ መዓልቲ ኸም እተራእዮም ገይሮም ቀጽዑና፡ ንሱ ግና፡ ካብ ቅድስናኡ ምእንቲ ኽንማቐል ኢሉ፡ ንጥቕምና እዩ ዝቐጽዓና። 11ቅጽዓት ዘበለስ ንግዜኡ ንጓሂ እምበር፡ ንሓጐስ ከም ዝኸውን ኣይመስልን እዩ፡ ንዳሕራዩ ግና ነቶም ዝለመድዎ ናይ ሰላም ፍረ ጽድቂ እዩ ዝፈሪ። 12ምእንትዚ ነተን ዘርጋሕጋሕ ዝብላ ኣእዳውን ወለል ዝበለን ኣብራኽን ኣቕንዕወን፡ 13እቲ ዝሕንክስ ክሓዊ እምበር፡ ካብ መገዲ ምእንቲ ኸይወጽእሲ፡ ነእጋርኩም ትኽ ዝበለ መገዲ ግበሩ።
14ብዘይ ቅድስና ሓደ እኳ ንእግዚኣብሄር ኣይክርእዮን እዩ እሞ፡ ንቕድስናን ንሰላም ምስ ኵሉ ሰብን ስዓብወን። 15ሓደ እኳ ኻብ ጸጋ ኣምላኽ ከይጐድል፡ ንብዙሓት ዘርክስ ገለ መሪር ሱር በቝሉ ኸየጨንቐኩም፡ ተጠንቀቑ። 16ከምቲ ንሓደ ብልዒ ብዅርናኡ ዝሸጠ ኤሳው፡ ሓደ እኳ ኣመንዝራ ወይስ ርኹስ ከይከውን፡ ተጠንቀቑ። 17ንሱውን ጸኒሑ እኳ በረኸት ክወርስ እንተ ደለየ፡ ብንብዓት እናደለያ ኽነሱስ፡ ንንስሓ ስፍራ ኣይረኸበን እሞ፡ ከም እተደርበየ፡ ትፈልጡ ኢኹም።
18ንስኻትኩምሲ ናብቲ ብኢድ ዝትንከን ብሓዊ ዝነድድን ከረን፡ ናብ ጣቓን ጸልማትን ህርህርን፡ 19ናብ ቃና መለኸትን ናብቲ እቶም ነቲ ቓል ዝሰምዑ ወሲኹ ኸይዛረቦም ዝለመኑሉ ድምጺ ቓልን ኣይበጻሕኩምን። 20ንሳቶም፡ እንስሳ እኳ ነቲ ኸረን እንተ ተንከየ፡ ብዳርባ እምኒ ይሙት፡ ዝብል ትእዛዝ ክጸርዎ ኣይተኻእሎምን። 21ሙሴ እኳ፡ እፈርህን እምብድበድን ኣሎኹ፡ ክሳዕ ዝብል፡ እቲ ትርኢቱ ክሳዕ ክንድዚ ዘፍርህ ነበረ። 22ንስኻትኩም ግና ናብ ከረን ጽዮንን ናብታ ኸተማ ህያው ኣምላኽ ሰማያዊት የሩሳሌም ናብቶም ኣእላፋት መላእኽትን ኢኹም ዝበጻሕኩም፡ 23ናብ ጉባኤ ዅሉ፡ ናብ ማሕበር እቶም ኣብ ሰማያት ተጻሒፎም ዘለዉ በዅራት፡ ናብ ኣምላኽ ፈራድ ኵሉ፡ ናብ መናፍስቲ እቶም ፍጹማን ጻድቃንን፡ 24ናብ የሱስ ማእከላይ ሓድሽ ኪዳንን ናብቲ ኻብ ደም ኣቤል ዝሓሸ ዝዛረብ ምንጻግ ደምን በጺሕኩም ኣሎኹም።
25እቲኣቶም፡ ኣብ ምድሪ ክዛረቦም ከሎ፡ ኣብዮም ካብ ዘየምልጡስ፡ ንሕና ነቲ ኻብ ሰማይ ዝዛረበና ዝባንና ኻብ እንመልሰሉ ግዳ፡ ከመይ ኢልና ኸነምልጥ፧ ስለዚ ነቲ ዝዛረበኩም ዘሎ ኸይትኣብይዎ ተጠንቀቑ። 26ሽዑ ድምጹ ንምድሪ ኣንቀጥቀጣ፡ ሕጂ ግና፡ ሓደ ግዜ ደጊመ ንሰማይ ከም ዘንቀጥቅጥ ክገብሮ እየ እምበር፡ ንምድሪ ጥራይ ኣይኰንኩን፡ ኢሉ ተስፋ ይህብ። 27እዛ፡ ሓደ ግዜ ደጊመ፡ ምባል ከኣ፡ እቲ ዘየንቀጥቅጥ ምእንቲ ኽጸንዕሲ፡ እቲ ዘንቀጥቅጥ ፍጡር ስለ ዝዀነ ምልዋጡ እያ እተመልክት ዘላ። 28-29ኣምላኽና ዝባላዕ ሓዊ እዩ፡ ስለዚ ንሕና ዘይተንቀጥቅጥ መንግስቲ እንቕበል ካብ ኰንናስ፡ ንኣምላኽ ብዘሐጕሶ ቅዱስ ምኽባርን ብፍርሃትን እናኣገልገልና ነመስግን።
እብራውያን ምዕራፍ 13
1ፍቕሪ ሕውነት ትጽናዕ። 2ገሊኣቶም ከይፈለጡ ብእኡ ንመላእኽቲ ኸም ኣጋይሽ ተቐቢሎም ኣለዉ እሞ፡ ምቕባል ኣጋይሽ ኣይትረስዑ። 3ንእሱራት ከም መተኣስርቶም ኴንኩም፡ መከራ ይጸግቡ ንዘለዉ ኸኣ ንስኻትኩምውን ኣብቲ ስጋ ኸም ዘሎኹም ኴንኩም ዘክርዎም። 4ነመንዝራታትን ንዘመውትንሲ ኣምላኽ ክፈርዶም እዩ እሞ፡ መውስቦ ኣብ ኵሉ ኽቡር፡ እቲ መደቀስ ኣሚን ከኣ ዘይረኸሰ ይኹን። 5ንሱ ባዕሉ፡ ኣይክሓድገካን ዕሽሽውን ከቶ ኣይክብለካን እየ፡ ኢሉ እዩ እሞ፡ ንብረትኩም ብዘይ ፍቕሪ ገንዘብ ይኹን፡ በቲ ዘሎኹም ዕገቡ። 6ስለዚ ተቢዕና፡ እግዚኣብሄር ረዳእየይ እዩ እሞ፡ ኣይክፈርህን እየ፡ ሰብከ እንታይ ከይገብረኒ፧ ንበል።
7ነቶም ቃል ኣምላኽ ዝነገሩኹም መራሕትኹም ዘክርዎም፡ መወዳእታ ንብረቶም እናተቛመትኩም፡ ኣሰኣሰር እምነቶም ስዓቡ። 8የሱስ ክርስቶስ ትማልን ሎምን ንዘለኣለም ንሱ እዩ። 9ልብኹም፡ በቲ ነቶም ዝኸዱሉ ዘይጠቐሞም ብልዒ ዘይኰነስ፡ ብጸጋ እንተ ጸንዐ፡ ጽቡቕ እዩ እሞ፡ ብብዙሕ ዝዓይነቱን ብጋሻን ትምህርቲ ኣይትስሓቱ። 10-11እቲ ብሊቀ ኻህናት ስለ ሓጢኣት ኣብ መቕደስ ዝኣቱ ዝነበረ ደም እንስሳታት፡ እቲ ስጋታተን ኣብ ወጻኢ ሰፈር ይሓርር ነበረ እሞ፡ ንሕናስ እቶም ነቲ ድንኳን ዘገልግሉ ካብኡ ኽበልዑ መሰል ዘይብሎም መሰውኢ ኣሎና። 12ስለዚ የሱስ ከኣ፡ ብደሙ ንህዝቢ ምእንቲ ክቕድስ ኢሉ፡ ኣብ ወጻኢ ኣፍ ከተማ መከራ ጸገበ። 13-14ነታ እትመጽእ ንደሊ ኣሎና እምበር፡ ኣብዚ እትነብር ከተማ የብልናን እሞ፡ ሕጂ ጸርፉ ተሰኪምና ናብ ወጻኢ ሰፈር ናብኡ ንውጻእ። 15እምብኣርስ ብእኡ ንኣምላኽ ኵሉ ሳዕ መስዋእቲ ምስጋና፡ ማለት ንስሙ ዝእመና ፍረ ኸናፍር፡ ነቕርብ። 16ኣምላኽ ነዚ ኸምዚ ዝመሰለ መስዋእቲ ይሰምሮ እዩ እሞ፡ ሰናይ ምግባርን ምምቓልን ኣይትረስዑ። 17ንመራሕትኹም ተኣዘዝዎምን ተገዝእዎምን። ንሳቶም ከምቶም ጸብጻብ ዝህቡ ዀይኖም፡ ምእንቲ ነፍሳትኩም ነቒሖም ይሕልዉ ኣለዉ እሞ፡ ነዚ ብታሕጓስ ክገብርዎ እምበር፡ ብጓሂ እንተ ገበርዎ፡ እዚ ንኣካትኩም ኣይጠቅምን እዩ።
18ብዅሉ ደግነት ክንነብር እናደለና፡ ሰናይ ሕልና ኸም ዘሎና፡ ተረዲእናዮ ኣሎና እሞ፡ ጸልዩልና። 19ኣነ ቐልጢፈ ኸም ብሓድሽ ምእንቲ ኽውሃበኩም፡ እዚ ኽትገብሩ ኣብዚሐ እምዕደኩም ኣሎኹ።
20ኣምላኽ ሰላም ግና ነቲ ብናይ ዘለኣለም ደም ኪዳን ዓብዪ ጓሳ ኣባጊዕ፡ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ካብ ምዉታት ዘተንስኦ፡ 21ብየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቅድሚኡ ባህ ዘብሎ ኣባኻትኩም እናገበረ ብሰናይ ግብሪ ዘበለ ዅሉ ፍቃዱ ኽትገብሩ የብቅዕኩም። ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ንእኡ ኽብሪ ይኹኖ። ኣሜን።
22ኣቱም ኣሕዋተይ፡ እዚ ቓል ምኽሪ እዚ ኣሕጺረ ጽሒፈልኩም እየ እሞ፡ ክትቅበልዎ እልምነኩም ኣሎኹ። 23ጢሞቴዎስ ሓዉና ኸም እተፈትሐ፡ ፍለጡ፡ ንሱ ቐልጢፉ እንተ መጸ፡ ምስኡ ኽርእየኩም እየ።
24ንዅላቶም መራሕትኹምን ንዅላቶም ቅዱሳንን ሰላም በልዎም። እቶም ካብ ኢጣልያ ዝዀኑ ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ።
25ጸጋ ምስ ኵላትኩም ይኹን። ኣሜን።