መጽሓፍ ሩት
መ. ሩት ምዕራፍ 1
1ኰነ ድማ፡ በቲ መሳፍንቲ ዝገዝእሉ ዝነበሩ ዘበን፡ ኣብታ ሃገር ጥሜት ኮነ። ሓደ ሰብኣይ ምስ ሰበይቱን ክልተ ደቁን ካብ ቤት-ልሄም ይሁዳ ኣብ ምድሪ ሞኣብ ክቕመጥ ከደ። 2ስም እቲ ሰብኣይ እቲ ኤሊሜሌክ፡ ስም ሰበይቱ ከኣ ናእሚ፡ ስም ክልቲኦም ደቁውን ማሕሎንን ኪልዮንን ይበሃሉ፡ ኤፍራታውያን ካብ ቤት-ልሄም ይሁዳ ነበሩ። ናብ ምድሪ ሞኣብ መጺኦም ከኣ ኣብኣ ተቐመጡ። 3ኤሊሜሌክ ሰብኣይ ናእሚ ድማ ሞተ እሞ፡ ንሳ ምስ ክልቲኦም ደቃ ተረፈት። 4ንሳቶም ከኣ ሞኣባውያን ኣንስቲ ኣእተዉ፡ ስም እታ ሓንቲ ዖርጳ፡ ስም እታ ኻልኣይቲ ድማ ሩት ነበረ። ዓሰርተ ዓመት ዝኣክል ኣብኡ ተቐመጡ። 5ማሕሎንን ኪልዮንን ከኣ ክልቲኦም ሞቱ። እታ ሰበይቲ ድማ ካብ ክልቲኦም ደቃን ካብ ሰብኣያን ተረፈት። 6ሽዑ ንሳ ኣብ ምድሪ ሞኣብ ከላ፡ እግዚኣብሄር ንህዝቡ ከም ዝበጽሖም፡ እንጌራውን ከም ዝሃቦም ስምዐት እሞ፡ ንሳ ምስ ክልቲአን ኣንስቲ ደቃ ተንሲኣ ካብ ምድሪ ሞኣብ ተመልሰት።
7ንሳ፡ ክልቲአን ኣንስቲ ደቃ ከኣ ምስኣ፡ ካብታ ዝነበረታ ቦታ ወጸት። ናብ ምድሪ ይሁዳ ክምለሳ ድማ መገደን ከዳ። 8ናእሚ ከኣ ንኽልቲአን ኣንስቲ ደቃ፡ ኪዳ፡ ነፍሲ ወከፍክን ነናብ ቤት ኣዴኽን ተመለሳ። ከምቲ ምስቶም ምውታትን ምሳይን ዝገበርክናኦ፡ እግዚኣብሄር ምሳኻትክን ምሕረት ይግበር። 9ነፍሲ ወከፍክን ከኣ ኣብ በቤት ሰብኣይክን ዕረፍቲ ክትረኽባ እግዚኣብሄር ይሃብክን፡ በለተን። ሽዑ ሰዓመተን፡ ንሳተን ከኣ ድምጸን ዓው ኣቢለን በኸያ፡ 10ኣይፋልናን ምሳኺ ደኣ ናብ ህዝብኺ ንምለስ በላኣ፡ 11ናእሚ ግና፡ ደቀየ፡ ስለምንታይከ ምሳይ እትኸዳ፧ ተመለሳ ደኣ፡ ደጊምዶ ሰብኡትክን ዝኾኑ ደቂ ኣብ ከርሰይ ኣልዮምኒ፧ 12ደቀየ፡ ሰብኣይ ከይእቶ ኣሪገ እየ ኣሞ፡ ኪዳ ደኣ ተመለሳ። ተስፋ ኣሎኒ እኳ እንተ ዝብልሲ፡ እረ ሎሚ ለይቲ ሰብኣይ እንተ ዝእቶ፡ ኣወዳት ከኣ ኣንተ ዝወልድ፡ 13ንሳቶም ክሳዕ ዝዓብዩዶ ክትጸንሓ ኢኽን፧ ምእንቲ እዚኸ ሰብኣይ ከይተኣቶኽንዶ ክትነብራ ኢኽን፧ ኣይፋልክን ደቀየ፡ ኢድ እግዚኣብሄር ኣባይ ወጺኣ እያ እሞ፡ ካብ ንኣኻትክንሲ ኣዝዩ ንኣይ ይመርር በለተን። 14ሽዑ መሊሰን ድምጸን ዓው ኣቢለን በኸያ። ዖርጳ ንሓማታ ስዓመታ፡ ሩት ግና ምስኣ ተጸግዐት። 15ንሳ ድማ፡ ሰበይቲ ሓሙትኪ እንሃ፡ ናብ ህዝባን ናብ ኣምላኻን ተመሊሳ፡ ንስኺውን ደድሕሪ ሰበይቲ ሓሙትኪ ተመለሲ፡ በለታ። 16ሩት ግና፡ ሓዲገኪ ካባኺ ንድሕሪት ክምለስሲ ግዲ ኣይትበልኒ። ናብ እትኸድዮ እኸይድ ኣብ እትሓድርዮ ከኣ እሓድር፡ ህዝብኺ ህዝበይ፡ ኣምላኽኪ ድማ ኣምላኸይ እዩ። 17ኣብታ እትሞትላ እመውት፡ ኣብኣ ድማ እቕበር፡ ንኣይን ንኣኽን ብጀካ ሞት ካልእ እንተ ፈልዮናስ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይግበረኒ፡ ከምዚ ከኣ ይወስኸኒ በለት። 18ምስኣ ንምኻድ ከም ዝቖረጸት ምስ ረኣየት፡ ምዝራባ ሓደገት።
19ናብ ቤት-ልሄም ክሳዕ ዝበጽሓ ከኣ ክልቲአን ከዳ። ኮነ ድማ፡ ናብ ቤት-ልሄም ምስ ኣተዋ፡ ብዘላ እታ ከተማ ብዛዕባአን ተበዓደት። እተን ኣንስቲ ከኣ፡ እዚኣስ እምበርዶ ናእሚ እያ፧ በላ። 20ንሳ ድማ፡ እቲ ኩሉ ዝኽእል ብዙሕ ኣመሪሩኒ እዩ እሞ፡ ማራ ደኣ በላኒ እምበር፡ ናእምስ ኣይትበላኒ። 21ኣነ መሊአ ከድኩ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ጥራየይ መለሰኒ። እግዚኣብሄር ካብ መስከረለይ፡ እቲ ኩሉ ዝኽእል ድማ ካብ ኣኽፍኣለይከ፡ ስለምንታይ ናእሚ ትብላኒ ኣሎኽን፧ በለተን።
22ናእሚ ድማ ተመልሰት፡ ሩት እታ ካብ ምድሪ ሞኣብ እተመልሰት ሞኣባዊት ሰበይቲ ወዳ ከኣ ምስኣ ነበረት። ንሳተን ብመጀመርታ ዓጺድ ስገም ናብ ቤት-ልሄም ኣተዋ።
መ. ሩት ምዕራፍ 2
1ንናእሚ ድማ ቦኣዝ ዝብሃል ሃብታም ስልጡን ሰብኣይ ካብ ዓሌት ኤሊሜሌክ ዘመድ ሰብኣያ ነበረ። 2ሩት እታ ሞኣባዊት ድማ ንናእሚ፡ ነቲ ኣብ ቅድሚኡ ምሕረት ዝረኽበሉ ስዒበ ኣብ ግራት ከይደ ክቕርም ሕደገኒ በለታ። ንሳ ከኣ ኪዲ ጓለይ፡ በለታ። 3ንሳ ድማ ከይዳ ናብ ግራት ኣትያ፡ ደድሕሪ እቶም ዓጻዶ ትቐርም ነበረት። እቲ ግራት እቲ ከኣ ብገርሃ ናይቲ ካብ ዓሌት ኤሊሜሌክ ዝነበረ ቦኣዝ ኮነላ። 4እንሆ ድማ፡ ቦኣዝ ካብ ቤት-ልሄም መጺኡ ነቶም ዓጻዶ፡ እግዚኣብሄር ምሳኻትኩም ይኹን በሎም። ንሳቶም ከኣ፡ እግዚኣብሄር ይባርኽካ በልዎ። 5ቦኣዝ ድማ ነቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ዓጻዶ ተመዚዙ ዝነበረ ጊልያኡ፡ እዛ መርዓት እዚኣ ናይ መን እያ፧ በሎ። 6እቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ዓጻዶ እተመዘዘ ጊልያኡ ከኣ፡ ንሳ ምስ ናእሚ ኻብ ምድሪ ሞኣብ እተመልሰት ሞኣባዊት መርዓት እያ። 7ደድሕሪ እቶም ዓጻዶ ኣብ መንጎ እንዳእቲ፡ ቀሪም ክኣሪ ሕደገኒ በለት። ንግሆ ምስ መጸት ክኣ ክሳዕ ሕጂ ደው ኢላ ኣላ እምበር፡ ኣብ ቤትሲ ቅሩብ ግዜ እያ ዝጸንሐት፡ ኢሉ መለሰ። 8ሽዑ ቦኣዝ ንሩት ጓለይ ኣይሰማዕክንዶ፧ ክትቅርሚ ኢልኪ ናብ ካልእ ግራት ኣይትኺዲ፡ ምስ እዘን ግዙኣተይ ደኣ ልገቢ እምበር፡ ካብዚ ኣይትሕለፊ። 9ናብቲ ዝዓጽድዎ ግራት ርኣዪ እሞ፡ ደድሕሪኦም ስዓቢ። ነቶም ግዙኣትሲ ከይትንክዮኺ ኣዚዘዶ ኣይኮንኩን፧ ምስ ጸማእኪ ድማ፡ ናብቲ ዕትሮታት ኬድኪ ኻብቲ እቶም ግዙኣት ዝቐድሕዎ ስተዪ፡ በላ። 10ሽዑ ንሳ ብገጻ ናብ ምድሪ ተደፊኣ ሰገደትሉ፡ ኣነ ወሰንተኛ ክንሰይሲ፡ ንኣይ ክትፈልጠኒ ብምንታይ ኣብ ቅድሜኻ ሞጎስ ረኸብኩ፧ በለቶ። 11ቦኣዝ ድማ፡ እቲ ድሕሪ ሞት ሰብኣይኪ ንሓማትኪ ዝገበርክዮ፡ ኣቦኽን ኣዴኽን እተወለድክላ ምድርን ከም ዝሓደግኪ፡ ቅድሚ እዚ ናብ ዘይትፈልጥዮ ህዝቢ ድማ ከም ዝመጻኣኪ ኣጸቢቖም ነጊሮምኒ ኣለዉ። 12እግዚኣብሄር ከም ግብርኺ ይፍዴኺ፡ ዓስብኺ ከኣ ካብቲ ኣብ ትሕቲ ኣኽናፉ ክትጽግዕዮ ኢልኪ መጺእኪ ዘሎኺ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ምሉእ ይኹን፡ ኢሉ መለሰላ። 13ንሳ ከኣ፡ ጐይታየ፡ ከም ሓንቲ ካብተን ግዙኣትካ እኳ ዘይኮንኩስ፡ ንልቢ ግዝእትኻ ተዛሪብካ ኣጸናኒዕካኒ ኢኻ እሞ፡ ኣብ ቅድሜኻስ ሞጎስ እርከብ በለት።
14ቦኣዝ ድማ በታ ግዜ ምሳሕ፡ ናብዚ ቕረቢ እሞ ካብዚ እንጌራ ብልዒ፡ ቑራስኪ ከኣ ኣብዚ መጺጽ ጥለቒ በላ። ንሳ ድማ ኣብ ጥቓ እቶም ዓጻዶ ተቐመጠት፡ ጥቡስ ሰዊት ከኣ ሃባ፡፡ ንሳ ድማ በልዐት፡ ጸጊባውን ኣትረፈት። 15ክትቅርም ምስ ተንስአት ድማ፡ ቦኣዝ ነቶም ግዙኣቱ፡ ኣብ ማእከል እንዳእቲ ትቐርም ኣይተሕፍርዋ። 16ካብ ዕትርቲ መዝሒቕኩም ከኣ ክትኣርዮ ሕደጉላ፡ ኣይትኾርዩላውን፡ ኢሉ ኣዘዞም። 17ካብቲ ግራት ከኣ ክሳዕ ምሸት ቀረመት። ነቲ ዝቐረመቶ ድማ ዘበጠቶ፡ ሓደ ኤፋ ዝኣክል ስገም ድማ ኾነ።
18ጾይራቶ ከኣ ናብ ከተማ ኣተወት፡ ሓማታ ድማ እቲ ዝቐረመቶ ረኣየቶ፡ እቲ ተረፍ ጽጋባውን ኣውጺኣ ሃበታ። 19እታ ሓማታ ከኣ፡ ሎሚ ኣበይ ቀሪምኪ ኣበይከ ዓዪኺ፡ እቲ እተላለየኪ ብሩኽ ይኹን፡ በለታ። ንሳ ከኣ ምስ መን ከም ዝዓየየት፡ ስም እቲ ሎሚ ምስኡ ዝዓየኹ ሰብኣይ ቦኣዝ እዩ፡ ኢላ ንሓማታ ነገረታ። 20ናእሚ ንሰበይቲ ወዳ፡ ንሱ ንህያዋንን ንምውታንን ምሕረቱ ዘይገደፈ፡ እግዚኣብሄር ይባርኮ፡ በለት። ናእሚ መሊሳ ድማ፡ እዚ ሰብኣይ እዚ መቕረባና እዩ፡ ንሱ ካብቶም ዝወርሱና እዩ፡ በለታ። 21ሩት እታ ሞኣባዊት ከኣ፡ ንሱስ ብዘሎ ዓጺደይ ክሳዕ ዝውድኡ ምስቶም ግዙኣተይ ልገቢ ኢሉኒ፡ በለታ። 22ናእሚ ድማ ንሩት ሰበይቲ ወዳ፡ ጓለይ፡ ኣብ ካልእ ግራት ማንም ከይትንክየክስ፡ ምስተን ግዙኣቱ ክትወጺ ጽቡቕ እዩ፡ በለታ። 23ዓጺድ ስገምን ዓጺድ ስርናይን ክሳዕ ዝውዳእ ከኣ፡ ነተን ግዙኣት ቦኣዝ ስዒባ ትቕርም ነበረት። ምስ ሓማታ ድማ ትቕመጥ ነበረት።
መ. ሩት ምዕራፍ 3
1ናእሚ ሓማታ ድማ በለታ፡ ጓለይ፡ ምእንቲ ብድሓን ክትነብርስ፡ ዕረፍቲ ደይኮንኩን ዝደልየልኪ ዘሎኹ፧ 2ሕጂ ከኣ እቲ ምስተን ግዙኣቱ ዝነበርኪ ቦኣዝ፡ ዘመድናዶ ኣይኮነን፧ እንሆ ንሱ ሎሚ ለይቲ ስገም ኣብ ዓውዲ የዝሩ ኣሎ። 3እምበኣርሲ ተሓጺብክን ተለኺኽን ክዳንኪ ተኸደኒ እሞ ናብቲ ዓውዲ ውረዲ። በሊዑን ሰትዩን ክሳዕ ዝውድእ ግና፡ ነቲ ሰብኣይ ኣይትረኣይዮ። 4ክኸውን ድማ እዩ፡ ምስ ዝድቅስ እታ ዝድቅሰላ ቦታ ፍለጢ፡ መጺእኪ ድማ ብሸነኽ እግሩ ቀሊዕኪ ደቅሲ። ንሱ ከኣ እተገብርዮ ክነግረኪ እዩ። 5ንሳ ድማ፡ ዝበልክኒ ኩሉ ክገብር እየ፡ በለታ።
6ናብ ዓውዲ ወሪዳ ድማ፡ ከምቲ ሓማታ ዝኣዘዘታ ኩሉ ገበረት። 7ቦኣዝ ከኣ በሊዑን ሰትዩን ልቡ ምስተሓጎሰ፡ ኣብ ጸግዒ ቕሚጦ ክድቅስ ከደ። ሽዑ ንሳ ቀስ ኢላ መጸት፡ ብሸነኽ እግሩ ቐሊዓ ድማ ደቀሰት። 8ኮነ ከኣ፡ ፍርቂ ለይቲ እቲ ሰብኣይ ሰምቢዱ ተገምጠለ፡ እንሃ ድማ ሰበይቲ ኣብ እግሩ ደቂሳ ነበረት። 9ንሱ ከኣ፡ መን ኢኺ፧ በላ። ንሳ ድማ፡ ኣነ ሩት ግዝእትኻ እየ። ንስኻ ወራሲ ኢኻ እሞ፡ ጫፍ ክዳንካ ኣብ ልዕሊ ግዝእትኻ ዘርግሕ፡ በለት። 10ንሱ ከኣ በላ፡ ኣቲ ጓለይ፡ ንድኻታት ኮነ፡ ንሃብታማት ደድሕሪ መንእሰይ ስለ ዘይሰዓብኪ፡ ካብቲ ቀዳማይ እቲ ዳሕራይ ዝበልጽ ለውሃት ጌርኪ ኢኺ እሞ፡ እግዚኣብሄር ይባርኽኪ። 11ሕጂ ድማ ጓለይ ኣይትፍርሂ፡ ደጊ ሰበይቲ ምዃንኪ ኩላ ደገ ህዝበይ ትፈልጥ እያ እሞ፡ ዝበልክዮ ኩሉ ክገብረልኪ እየ። 12ሕጂ ከኣ ኣነ ወራሲ ምኻነይሲ ሓቂ እዩ፡ ግናኸ ካባይ ዝቐርብ ወራሲ ኣሎ። 13ንሎሚ ለይቲ ሕደሪ፡ ክኸውን ድማ እዩ፡ ጽባሕ ንሱ እንተ ወረሰኪ ጽቡቕ፡ ይውረስ። ክወርሰኪ እንተ ዘይደለየ ግና፡ ህያው እግዚኣብሄር እዩ፡ ኣነ ክወርሰኪ እየ። ክሳዕ ዝወግሕ ደቅሲ። 14ክሳዕ ዝወግሕ ድማ ኣብ እግሩ ደቀሰት። ንሱ ሰበይቲ ናብ ዓውዲ ከም ዝመጸት ኣይፈለጥ ኢሉ ነበረ እሞ፡ ገና ሰብ ምስ ብጻዩ ከይተላለየ ኣንጊሃ ተንስአት። 15ቦኣዝ ግና፡ እቲ ተኸዲንክዮ ዘሎኺ ነጸላ ኣቕሪብኪ ዘርግሕዮ በላ። ዘርግሓቶ ድማ። ንሱ ከኣ ሽዱሽተ መስፈር ስገም ሰፈረላ፡ ኣሰከማ ድማ። ናብ ከተማ ከኣ ኣተወት።
16ናብ ሓማታ ምስ ኣተወት ድማ፡ ንሳ ከመይ ኢኺ ጓለይ፧ በለታ። ንሳ ከኣ እቲ ሰብኣይ ዝገበረላ ኩሉ ነገረታ። 17ኣብ ሓማትኪ ጥራይ ኢድኪ ከይትኣትዊ ኢሉ፡ እዚ ሽድሽተ መስፈር ስገም እዚ ሂቡኒ፡ ድማ በለት። 18ንሳ ከኣ፡ እቲ ሰብኣይ ነዚ ነገርዚ ሎሚ ከይወድኦ ኣይዓርፍን እዩ እሞ፡ እቲ ነገር ከመይ ከም ዝውዳእ ክሳዕ እትፈልጢ ስቕ በሊ ጓለይ በለታ።
መ. ሩት ምዕራፍ 4
1ቦኣዝ ድማ ናብ ደገ እታ ከተማ ደይቡ ኣብኣ ኮፍ በለ። እንሆ ከኣ፡ እቲ ቦኣዝ ብዛዕባኡ እተዛረበሉ ወራሲ ይሓልፍ ነበረ። ንእኡ ድማ፡ ኣታ መን ኢኻ፧ ኣልግስ እሞ ኣብዚ ተቐመጥ፡ በሎ። ንሱ ከኣ ኣግሊሱ ተቐመጠ። 2ቦኣዝ ድማ ካብ ዓበይቲ እታ ከተማ ዓሰርተ ሰብኣይ ወሲዱ፡ ኣብዚ ተቐመጡ፡ በሎም። ንሳቶም ከኣ ተቐመጡ። 3ሽዑ ነቲ ወራሲ፡ እዛ ኻብ ምድሪ ሞኣብ እተመልሰት ናእሚ፡ ነቲ ክፍሊ ምድሪ ኤሊሜሌክ ሓውና፡ ክትሸጦ ደልያ። 4ኣነ ድማ ኣብ ቅድሚ እዞም ተቐሚጦም ዘለዉን ኣብ ቅድሚ ዓበይቲ ህዝበይን ዓድጐ ኢለ ከስምዓካ ሓሰብኩ። ብጀካኻ ወራሲ የልቦን፡ ብድሕሬኻ ከኣ ኣነ እየ እሞ፡ ትወርስ እንተ ዄንካ ውረስ፡ ዘይትወርስ እንተ ዄንካ ግና፡ ክፈልጥ ንኣይ ንገረኒ በሎ። ንሱ ከኣ፡ ክወርስ እየ በለ። 5ቦኣዝ ድማ፡ በታ ነታ ግራት ካብ ኢድ ናእሚ እትዕድገላ መዓልቲ፡ ስም እቲ ምዉት ኣብ ርስቱ ምእንቲ ከተቕውም፡ ካብ ሩት እታ ሞኣባዊት፡ ሰበይቲ እቲ ምዉት ከኣ ክትዕድጋ ኢኻ በለ። 6እቲ ወራሲ ድማ፡ ርስተይ ከየባላሹ ክወርሳ ኣይክእልን እየ እሞ፡ ነታ ኣነ ዝወርሳስ፡ ንስኻ ውረሳ በለ። 7ቀደም ኣብ እስራኤል፡ ኣብ ምውራስን ኣብ ለውጥን፡ ኩሉ ነገር ምእንቲ ክጸንዕ፡ ሰብ ሳእኑ ኣውጺኡ ነቲ ብጻዩ ክህቦ ልማድ ነበረ። እዚ ድማ ኣብ እስራኤል ምስክር ነበረ። 8እቲ ወራሲ ከኣ ንቦኣዝ፡ ንስኻ ዓድጎ በሎ። ሳእኑ ድማ ኣውጽኣ። 9ቦኣዝ ከኣ ነቶም ዓበይትን ንኹሉ ህዝብን፡ ናይ ኤሌሜሌክ ዝነበረ ኩሉ ናይ ኪልዮንን ናይ ማሕሎንን ዝነበረ ድማ ኩሉ ካብ ኢድ ናእሚ ከም ዝዓደግክዎ፡ ሎሚ ንስኻትኩም ምስክር ኢኹም። 10ድማ ስም እቲ ምዉት ካብ ማእከል ኣሕዋቱን ካብ ደገ ቦታኡን ከይጠፍእ፡ ስም እቲ ምዉት ኣብ ርስቱ ከቕውም ኢለ፡ ንሩት፡ እታ ሞኣባዊት ሰበይቲ ማሕሎን፡ ሰበይተይ ክትኮንኒ ከም ዝዓደግክዋ፡ ሎሚ ምስክር ኢኹም በሎም። 11እቶም ኣብ ደገ ዝነበሩ ኩሎም ህዝብን እቶም ዓበይትን ከኣ፡ ምስክር ኢና፡ ነዛ ናብ ቤትካ እትኣቱ ሰበይቲ፡ እግዚኣብሄር፡ ከምተን ክልተ ንቤት እስራኤል ዝሃነጻ፡ ከም ራሄልን ልያን ይግበራ። ኣብ ኤፍራታ ከኣ ሰልጥን፡ ኣብ ቤት-ልሄምውን ስሙይ ኩን። 12እታ ቤትካ ድማ በቲ እግዚኣብሄርስ ካብዛ መርዓት እዚኣ ዝህበካ ዘርኢ፡ ከም ቤት ፋሬስ፡ እቲ ታማር ንይሁዳ ዝወለድትሉ ትኹን በሉ።
13ሽዑ ቦኣዝ ንሩት ወሰዳ፡ ንሳውን ሰበይቱ ኾነት። ናብኣ ከኣ ኣተወ፡ እግዚኣብሄር ድማ ጥንሲ ሃባ። ወዲውን ወለደት። 14እተን ኣንስቲ ከኣ ንናእሚ፡ ሎሚ ወራሲ ዘይከልኣኪ እግዚኣብሄር ይባረኽ። ስሙ ኣብ እስራኤል ይሰመ። 15እታ ኻብ ሾብዓተ ወዲ እትበልጽ እተፍቅረኪ ሰበይቲ ወድኺ ወሊዳቶ እያ እሞ፡ ንሱ ነፍስኺ ዝሕድስን ሓጋዝ እርግናኽን ክኾነኪ እዩ በላኣ። 16ናእሚ ድማ ነቲ ሕጻን ወሲዳ ኣብ ትሕቲኣ ሓቆፈቶ፡ መጕዚቱውን ኮነት። 17እተን ጎረባብታ ከኣ፡ ንናእሚ ወዲ ተወሊዱላ፡ ኢለን ስም ኣውጽኣሉ ስሙ ከኣ እዮቤድ ሰመያኦ። ንሱ ኣቦ እሴይ ኣቦ ዳዊት እዩ።
18ትውልዲ ፋሬስ ከኣ እዚ እዩ፡ ፋሬስ ንኤስሮም ወለደ። 19ኤስሮም ድማ ንራም ወለደ፡ ራም ከኣ ንኣሚናዳብ ወለደ። 20ኣሚናዳብ ድማ ንነኣሶን ወለደ፡ ነኣሶን ከኣ ንሰልሞን ወለደ። 21ሰልሞን ድማ ንቦኣዝ ወለደ፡ ቦኦዝ ከኣ ንእዮቤድ ወለደ። 22እዮቤድ ድማ ንእሴይ ወለደ፡ እሴይ ከኣ ንዳዊት ወለደ።
መ. ሩት 3 :4 እተገብርዮ
እርማት!!
(እትገብርዮ ) ክበውን ኣለ