ትንቢት ህዝቅኤል

1  2  3  4  5  6  7  8  9
10  11  12 13  14  15
16  17  18  19  20  21
22 23  24  25  26  27
28  29  30  31  32  33
34  35  36  37  38  39
40  41  42 43  44  45
46  47  48

       ትን. ህዝቅኤል  ምዕራፍ 1

   1ኰነ ድማ፡ ኣብ መበል ሰላሳ ዓመት፡ ኣብታ ራብዐይቲ ወርሒ፡ ካብታ ወርሒ ድማ ኣብ ሓምሰይቲ መዓልቲ፡ ኣብ ርባ ኬባር ኣብ ማእከል እቶም ምሩኻት ከሎኹ፡ ሰማያት ተኸፍቱ፡ ራእይ እግዚኣብሄር ርኣኹ። 2ኣብ ሓምሳይ መዓልቲ ናይቲ ወርሒ ወርሒ ኻብቲ ንጉስ ዮኣቂን እተማረኸሉ ኣብ ሓምሳይ ዓመቱ፡ 3ቃል እግዚኣብሄር ናብቲ ኻህን ህዝቅኤል ወዲ ኩዚ፡ ኣብ ሃገር ከለዳውያን፡ ናብ ርባ ኬባር መጸ። ኣብኡ ኸኣ ኢድ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊኡ ነበረት።
4እንሆ ኸኣ፡ ካብ ሰሜን ህቦብላ ንፋስ፡ ብርቱዕ ደበና ምስናይ ሃልሃልታ ሓዊ፡ ኣብ ዙርያኡ ኸኣ ጸዳል ብርሃን ክመጽእ ከሎ ርኣኹ። ከም ፊሕፊሕ ዝብል ኣስራዚ ድማ ካብ ማእከሉ፡ ካብ ማእከል እቲ ሓዊ ወጸ። 5ካብቲ ማእከሉ ኸኣ መልክዕ ኣርባዕተ እንስሳ ወጸ። ትርኢቶም ድማ እዚ እዩ፡ ሰብ የምሰልስሉ። 6ነፍሲ ወከፎም ኣርባዕተ ገጽ፡ ነፍሲ ወከፎም ድማ ኣርባዕተ ኽንፊ ነበሮ። 7ኣእጋሮም ትኽ ዝበለ ኣእጋር ነበረ፡ ከብዲ እግሮም ከኣ ከም እግሪ ሸኾና ምራኽ ነበረ፡ ከም ርሱን ኣስራዚ ኸኣ ፊሕፊሕ ይብል ነበረ። 8በርባዕተ ወገኖም ኣብ ትሕቲ ኣኽናፎም ኢድ ሰብ ነበሮም፡ ኣርባዕቲኦም ገጽን ክንፍን ነበሮም። 9ኣኽናፎም ነንሓድሕደን ግጡማት እየን። ክኸዱ ኸለዉ ኣይምለሱን፡ ነፍሲ ወከፍ ኣቕኒዑ ንቕድሚኡ ይኸይድ ነበረ። 10ምስሊ ገጾም ገጽ ሰብ ይመስል። ኣርባዕቲኦም ከኣ በቲ የማናይ ወገኖም ገጽ ኣንበሳ: ኣርባዕቲኦም ድማ በቲ ጸጋማይ ወገኖም ገጽ ብዕራይ፡ ኣርባዕቲኦምውን ገጽ ንስሪ ነበሮም። 11ብላዕሊ ኸኣ ገጾምን ኣኽናፎምን ፍሉይ ነበረ። ናይ ነፍሲ ወከፍ ክልተ ኽንፊ፡ እታ ሓንቲ ምስታ ናይቲ ሓደ እትላገብ፡ እተን ክልተ ድማ ንስጋኦም ዝኸድና እየን። 12ነፍሲ ወከፎም ኣቕኒዑ ንቕድሚኡ ይኸይድ፡ እቲ መንፈስ ናብ ዝኸዶ ይኸዱ፡ክኸዱ ኸለዉ ድማ ኣይምለሱን ነበሩ። 13ትርኢት እቶም እንስሳ ኸም ጕሁር ሓውን ከም ዝነድድ ሽግን ነበረ፡ እቲ ሓዊ ኸኣ ኣብ ማእከል እቶም እንስሳ ይዘውርን የንጸባርቕን ነበረ፡ ካብቲ ሓዊውን በርቂ ይወጽእ ነበረ። 14እቶም እንስሳ ኸኣ ከም በርቂ ይጐዩን ይምለሱን ነበሩ።
15እምብኣርሲ ነቶም እንስሳ ኽጥምት ከሎኹ፡ እንሆ፡ ሓደ መንኰርኰር ኣብ ምድሪ ኣብ ጥቓ እቶም እንስሳ ንነፍሲ ወከፍ በርባዕተ ገጾም ርኤኽዎም። 16ትርኢት እቲ መንኰራዅርን ኣሰራርሓኡን ከም ሕብሪ በሪሎስ ነበረ። ኣርባዕቲኡ ይማሳሰል ነበረ። ትርኢቱን ኣሰራርሓኡን ድማ እቲ ሓደ መንኰርኰር ኣብ ውሽጢ እቲ ሓደ መንኰኣኰር ከም ዘሎ ይመስል ነበረ። 17ክኸዱ ኸለዉ፡ በርባዕተ ወገኖም ይኸዱ፡ ምስ ዝኸዱ ድማ ኣይምለሱን ነበሩ። 18እቲ ኽቦም ከኣ ነዊሕን መፍርህን ነበረ። ኣርባዕቲኦም ድማ ኣብቲ ኣዝዋራ ኽቦም ኣዒንቲ መሊእዎም ነበረ። 19እቶም እንስሳ ክኸዱ ኸለዉ፡ እቲ መንኰራዅር በብጥቓኦም ይኸይድ ነበረ። እቶም እንስሳ ኻብ ምድሪ ሓፍ ክብሉ ኸለዉ፡ እቲ መንኰራዅር ከኣ ሓፍ ይብል ነበረ። 20ናብቲ እቲ መንፈስ እቶም እንስሳ ኣብቲ መንርኰራዅር ነበረ እሞ፡ እቲ መንርኰራዅር በብጥቓኦም ሓፍ ይብል፡ ነበረ። 21መንፈስ እቶም እንስሳ ኣብቲ መንኰራዅር ስለ ዝነበረ፡ ንሳቶም ክኸዱ ኸለዉ፡ ይኸይድ፡ ንሳቶም ደው ክብሉ ኸለዉ፡ ደው ይብል፡ ንሳቶም ካብ ምድሪ ሓፍ ክብሉ ኸለዉ፡ እቲ መንርኰራዅር ከኣ በብጥቓኦም ሓፍ ይብል ነበረ።
22ኣብ ልዕሊ ኣርእስ እቶም እንስሳ ኸኣ ከም ግሩም ዝዀነ ክሪስታል፡ ጠፈር ሰማይ ዝመስል፡ ኣብ ላዕሊ፡ ኣብ ልዕሊ ኣርእስቶም ተዘርጊሑ ነበረ። 23ኣብ ትሕቲ እቲ ጠፈር ድማ ኣኽናፎም ኣብ መንጽር ነንሓድሕደን ትኽ ኢለን ነበራ። ነፍሲ ወከፎም ድማ ስጋኦም ዝኸድኑሉ ኸክልተ ኽንፊ ነበሮም። 24ክኸዱ ኸለዉ ኸኣ፡ ደሃይ ኣኽናፎም ከም ህማም ብዙሕ ማያት፡ ከም ድምጺ እቲ ዅሉ ዝኽእል፡ ደሃይ ታዕታዕ ከም ደሃይ ሰራዊት ሰማዕኩ። ደው ክብሉ ኸለዉ፡ ኣኽናፎም ይዕዅልሉ ነበሩ። 25ካብ ልዕሊ እቲ ኣብ ልዕሊ ርእሶም ዝነበረ ጠፈር ድማ ድምጺ ተሰምዐ። ደው ክብሉ ኸለዉውን ኣኽናፎም ይዕዅልሉ ነበሩ።
26ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ልዕሊ ርእሶም ዝነበረ ጠፈር ከኣ እምኒ ሰፊሮስ ምስሊ ዝፋን ነበረ። ኣብ ልዕሊ እቲ ዝፋን ዝመስል ድማ ኣርኣያ ሰብ ዝመስል ተቐመጠ። 27ካብቲ ሕቝኡ ዝመስል ሒዙ ንላዕሊ፡ ርሱን ኣስራዚ ዝሕብሩ፡ ከም ሓዊ ዝትርኢቱ ኣብ ውሽጥን ዙርያኡን ርኣኹ። ካብቲ ሕቝኡ ዝመስል ንታሕቲ ኸኣ ከም ሓዊ ዝትርኢቱ ርኣኹ፡ ኣብ ዝርያኡውን ባና ብርሃን ከቢብዎ ነበረ። 28ከምቲ ብመዓልቲ ዝናም ኣብ ደበና ዝኸውን ትርኢት ቀስተ ደመና፡ ከምኡ ትርኢት ባና እቲ ብርሃን ኣብ ዙርያኡ ነበረ። ትርኢት ባና እቲ ብርሃን ኣብ ዙርያኡ ነበረ። ትርኢት ክብሪ እቲ ምስሊ እግዚኣብሄር ከምኡ ነበረ። ምስ ርኣኽዎ ኸኣ ብገጸይ ወደቕኩ፡ ድምጺ ሓደ ዝዛረብውን ሰማዕኩ።

       ትን. ህዝቅኤል  ምዕራፍ 2

   1ንሱ ኸኣ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ ብእግርኻ ደው በል እሞ ኽዛረበካ እየ፡ በለኒ። 2ክዛረበኒ ኸሎ ኸኣ፡ መንፈስ ኣተወኒ፡ ብእግረይ ድማ ደው ኣበለኒ፡ ነቲ ዝዛረበኒውን ሰማዕክዎ። 3በለኒውን፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ ናብ ደቂ እስራኤል፡ ናብቶም ካባይ ዝዓለዉ ዓለወኛታት ህዝብታት እልእከካ ኣሎኹ። ንሳቶምን ኣቦታቶምን ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ተጻሪሮምኒ ኣለዉ። 4ናብ እዞም ገጾም ዝተረረ፡ ልቦም ዝሓረነ ደቂ እሰደካ ኣሎኹ። ንስኻ ድማ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ በሎም። 5ንሳቶም ዓላዊት ቤት እዮም እሞ፡ እንተ ሰሚዖም እንተ ኣብዮም፡ ኣብ ማእከሎም ነብዪ ኸም ዝነበረ ኽፈልጡ እዮም። 6ኣታ ወዲ ሰብ፡ ንእኦም ኣይትፍርሃዮም፡ ንቓላቶም ከኣ ኣይትፍርሃዮ፡ ምንም እኳ ምስ ኣምዐን እሾዅን እንተ ዀንካ፡ ኣብ ማእከል ዕንቅርቢታት ተቐሚጥካ ኽነስኻስ፡ ዓላዊት ቤት እዮም እሞ፡ ንቓላቶም ኣይትፍርሃዮ፡ ገጾምውን ኣየሰምብድካ። 7ዓለውቲ እዮም እሞ፡ እንተ ሰሚዖምኻ፡ እንተ ኣብዮምኻ፡ ቃለይሲ ንገሮም ደኣ።
8ንስኻ ግና ኣታ ወዲ ሰብ፡ ዝብለካ ዘሎኹ ስማዕ። ከምታ ዓላዊት ቤት ዓላዊ ኣይትኹን፡ ኣፍካ ኽፈት፡ እዚ ዝህበካ ዘሎኹ ድማ ብልዓዮ። 9ጠመትኩ እሞ እንሆ፡ ኢድ ናባይ ኣቢላ ተዘርጊሓ፡ እንሆውን፡ ኣብኣ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ነበረት። 10ንሱ ኸኣ ኣብ ቅድመይ ገንጸላ፡ ብውሽጣ ብግዳማን ተጽሒፍዋ ነበረ። ኣብኣ ኸኣ ድጕዓን ብኽያትን ዋይዋይታን ተጽሒፍዋ ነበረ።

       ትን. ህዝቅኤል  ምዕራፍ 3            

   1ንሱ ኸኣ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ ዝረኸብካዮ ብላዕ። ነታ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ብልዓያ፡ ኬድካ ድማ ንቤት እስራኤል ተዛረቦም፡ በለኒ። 2ሽዑ ኣፈይ ከፈትኩ፡ ንሱውን ነታ ጥቕላል ኣብለዓኒ። 3ንሱ ኸኣ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ ከብድኻ ኣጽግብ፡ ንውሽጢ ኸብድኻውን በዛ ኣነ ዝህበካ ጥቕላል ምልኣዮ፡ በለኒ። ሽዑ በላዕክዋ፡ ኣብ ኣፈይውን ጥዕምቲ ኸም መዓር ጠዓመት።
4በለኒ ኸኣ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ ናብ ቤት እስራኤል ኪድ ብቓላተይ ከኣ ተዛረቦም። 5-6ናብ ቤት እስራኤል እምበር፡ ናብ ሓደ ቛንቋኡ ዘይስትውዕል፡ ዘረባኦም ዝኸቢድ፡ ቃላቶም ዘይተስተውዕሎ ብዙሓት ህዝብታት ኣይተለኣኽካን። ብርግጽ ናባታቶም ሰዲደካ እንተ ዝኸውንሲ፡ ምሰምዑኻ ነይሮም። 7ግናኸ ኵሉ ቤት እስራኤል፡ ግምባሮም ተሪር፡ ልቦም ሓራን እዩ እሞ፡ ቤት እስራኤልሲ ኽሰምዑኒ ዘይፈትዉ ስለ ዝዀኑ፡ ንኣኻ ኣይክሰምዑኻን እዮም። 8እንሆ፡ ንገጽካ ኣንጻር ገጾም ኣትሪረዮ፡ ንግምባርካውን ኣንጻር ግምባሮም ኣትሪረዮ እየ። 9ግምባርካ ኸም ኣልማዝ፡ ካብ ብላድ ዝብርትዕ ገይረዮ፡ ኣብ ቅድሚኦም ከኣ ኣይትሰምብድ። 10መሊሱውን በለኒ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ ንዅሉ እቲ ዝነግርካ ቓላት ኣብ ልብኻ ዕቘሮ፡ በእዛንካ ድማ ስምዓዮ። 11ናብቶም ምሩኻት፡ ናብ ደቂ ህዝብኻ ኺድ እሞ፡ እንተ ኽሰምዑኻ፡ እንተ ኽኣብዩኻ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል፡ ኢልካ ንገሮምን በሎምን።
12እቲ መንፈስ ከኣ ኣልዓለኒ፡ ብድሕረይ ድማ፡ ክብሪ እግዚኣብሄር ኣብቲ ቦታኡ ይባረኽ፡ዝብል ብርቱዕ ደሃይ ምንቅጥቃጥ ሰማዕኩ። 13ኣነ ኸኣ ህማም እቲ ነንሓድሕዱ ዝጋጮ ዝነበረ ኣኽናፍ እቶም እንስሳን ደሃይ ዓብዪ ምንቅጥቃጥን ሰማዕኩ። 14እቲ መንፈስ ከኣ ኣልዓለኒ ወሰደኒውን። ብዅራ መንፈሰይ መሪሩኒ ኸድኩ፡ ኢድ እግዚኣብሄር ድማ በርቲዓ ኣብ ልዕለይ ነበረት። 15ናብቶም ኣብ ጥቓ ርባ ኬባር ኣብ ቴልኣቢብ ዝነበረኡ ምሩኻት፡ ናብቲ ዝነብሩሉ ዘለዉ ኸኣ መጻእኩ። ኣብኡውን እናኣስቈርቈርኩ፡ ሾብዓተ መዓልቲ ኣብ ማእከሎም ተቐመጥኩ።
16ኰነ ድማ፡ ኣብ መወዳእታ ሾብዓተ መዓልቲ ኸኣ ከምዚ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር መጸኒ፡ 17ኣታ ወዲ ሰብ፡ ኣብ ቤት እስራኤል ሓላዊ ገይረካ ኣሎኹ። ካብ ኣፈይ ቃል ስማዕ እሞ፡ ኣብ ክንዳይ ኴንካ ምዓዶም። 18ኣነ ነቲ ረሲእ፡ ሞት ክትመውት ኢኻ፡ ምስ በልክዎ፡ እንተ ዘይመዓድካዮ፡ ካብ መገዲ ረሲእነቱ ተመሊሱ ነፍሱ ኽትድሕን፡ እንተ ዘይተዛረብካዮን እንተ ዘይመዓድካዮንሲ፡ እቲ ረሲእ ብሓጢኣቱ ኽመውት እዩ፡ ደሙ ግና ካብ ኢድካ ኽደልዮ እየ። 19ግናኸ ነቲ ረሲእ እንተ መዓድካዮ፡ ንሱ ኸኣ ካብ ረሲእነቱን ካብ መገዲ ረሲእነቱን እንተ ዘይተመልሰ፡ ንሱ ብሓጢኣቱ ኽመውት እዩ፡ ንስኻ ግና ነፍስኻ ኣድሓንካ። 20ጻድቕ ካብ ጽድቁ እንተ ተመልሰ፡ ሓጢኣት ከኣ እንተ ገበረ፡ መዓንቀፊ ኣብ ቅድሚኡ እንተ ኣንበርኩሉ፡ክመውት እዩ። ስለ ዘይመዓድካዮ፡ ብሓጢኣቱ ኽመውት፡ እቲ ዝገበሮ ጽድቂ ድማ ኣይክዝክርን እዩ። ደሙ ግና ካብ ኢድካ ኽደልዮ እየ። 21ንስኻ ግና፡ እቲ ጻድቕ ሓጢኣት ከይገብር ነቲ ጻድቕ እንተ መዓድካዮ እሞ ንሱ ሓጢኣት እንተ ዘይገበረ፡ ምዕዶ ስለ እተቐበለ ብሓቂ ብህይወት ክነብር እዩ፡ ንስኻውን ነፍስኻ ተድሕን።
22ኢድ እግዚኣብሄር ከኣ ኣብኡ ኣብ ልዕለይ መጸት እሞ፡ ተንስእ፡ ናብ ጐልጐል ውጻእ፡ ኣብኡ ምስኻ ኽዛረብ እየ፡ በለኒ። 23ሽዑ ተንሲአ ናብ ጐልጐል ወጻእኩ። እንሆ ኸኣ፡ ክብሪ እግዚኣብሄር፡ ከምቲ ኣብ ርባ ኬባር ዝርኣኽዎ ኽብሪ፡ ኣብኡ ቘይሙ ነበረ። ብገጸይውን ወደቕኩ። 24እቲ መንፈስ ከኣ ኣተወኒ፡ ብእግረይ ድማ ደው ኣበነሊ እሞ፡ኪድ ኣብ ቤትካ ተዓጾ፡ ኢሉ ተዛረበኒ። 25ኣታ ወደ ሰብ፡ እንሆ፡ መእሰሪ ኽገብሩልካን ክኣስሩኻን እዮም፡ ኣብ ማእከሎም ድማ ኣይክትውጽእን ኢኻ። 26ንሳቶም ዓላዊት ቤት እዮም እሞ፡ ምእንቲ ኽትዕበስን፡ ዘላፊኦም ከይትኸውንንሲ፡ ልሳንካ ኣብ ትንሓግካ ኸጥብቕ እየ። 27ምስ ዝዛረበካ ግና፡ ንኣፍካ እኸፍቶ፡ ንስኻውን፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ክትብሎም ኢኻ። ዓላዊት ቤት እዮም እሞ፡ዝሰምዕ ይስማዕ፡ዝኣቢውን ይእበ።

       ትን. ህዝቅኤል  ምዕራፍ 4            

   1ንስኻ ኸኣ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ ጡብ ውሰድ፡ ኣብ ቅድሜኻ ኸኣ ኣንብሮ እሞ ከተማ፡ ማለት የሩሳሌም ሰኣለሉ። 2ክቢ ኽበባ፡ ኣብ ልዕሊኣ ግምቢ ስራሕ፡ ዕርዲ ዕረዳ፡ ሰፈር ኣስፍረላ፡ ብዅሉ ዙርያኣ ድማ ደዓውል ግበር። 3ንስኻ ኸኣ መቝሎ ሓጺን ወሲድካ፡ ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ እታ ኸተማን ከም መንደቕ ሓጺን ጌርካ ኣንብሮ። ገጽካ ናብኣ ኣቢልካ ኣቕንዕ፡ ክብብቲ ትኹን፡ ክበባውን። እዚ ንቤት እስራኤል ምልክት ይኹን።
4ደሓር ብጸጋማይ ጐድንኻ በጥ በል፡ ኣብኡውን ንኣበሳ ቤት እስራኤል ኣንብሮ፡ ክንዲ ቝጽሪ እተን በጥ እትብለለን መዓልትታት ከኣ ኣበሳኦም ክትጸውር ኢኻ። 5ኣነ፡ ድማ ዓመታት ኣበሳኦም ብቝጽሪ መዓልትታት፡ ማለት ሰለስተ ሚእትን ተስዓን መዓልቲ፡ ገይረልካ ኣሎኹ። ንስኻውን ኣበሳ ቤት እስራኤል ክትጸውር ኢኻ። 6እዚ ምስ ኣእከልካ ኸኣ፡ ከም ብሓድሽ ብየማናይ ጐድንኻ ኽትድቅስ ኢኻ፡ ነርብዓ መዓልቲውን ኣበሳ ቤት ይሁዳ ኽትስከም ኢኻ። ሓንቲ መዓልቲ ኽንዲ ዓመት ገይረልካ ኣሎኹ። 7ገጽካን እቲ ጥራዩ ዘሎ ቕልጽምካን ናብታ ኽብብቲ የሩሳሌም ኣቕንዕ እሞ ተነበየላ። 8እንሆ፡ ብገመድ ቀጥ አብለካ፡ ነተን መዓልትታት ምኽባብካ ኸየእከልካየን ከኣ ካብ ሓደ ጐድንኻ ናብታ ሓደ ጐድንኻ ኣይክትግልበጥን ኢኻ።
9ንስካ ስርናይና ስገምን ባልደንጓን ብርስንን ቡልቱግን ሰዓዕን ወሰድ፡ ኣብ ሓደ ኣቕሓ ግበሮ እሞ፡ ካብኡ እንጌራ ሰንክት፡ ብቝጽሪ እተን ብሓደ ጐድንኻ እትድቅሰለን መዓልትታት፡ ማለት ሰለስተ ሚእትን ተስዓን መዓልቲ፡ ካብኡ ኽትበልዕ ኢኻ። 10እቲ እትበልዖ ምግቢ ነንመዓልቲ ብሚዛን ዕስራ ሲቃል ይኹን። ካብ ግዜ ኽሳዕ ግዜ ኽትበልዖ ኢኻ። 11ማይውን ብመሰፈሪ፡ ሳድሰይቲ ኣፍ ሂን ክትሰቲ ኢኻ። ካብ ግዜ ክሳዕ ግዜ ኽትሰትዮ ኢኻ። 12ኣብ ቅድሚኦም ብውጽኣት ግዳም ሰብ ኣብሲልካ፡ ኣብኡ ኸም ቅቻ ስገም ክትበልዖ ኢኻ። 13እግዚኣብሄር ከኣ፡ ደቂ እስራኤልሲ፡ ኣብ ማእከል እቶም ኣነ ናብኦም ፋሕ ዘብሎም ህዝብታት ኰይኖም፡ ከምኡ ርኹስ እንጌራኦም ክበልዑ እዮም፡ በለ። 14ሽዑ ኣነ፡ ወዮ፡ ኣታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ እንሆ፡ ነፍሰይ ከቶ ኣይረኸሰትን። ካብ ንእስነተይ ጀሚረ ኽሳዕ ሎሚ ዝሓለቐን ኣራዊት ዝቐተሎን ኣይበላዕኩን፡ ፍንፉን ስጋ ድማ ኣብ ኣፈይ ከቶ ኣይኣተወን፡ በልኩ። 15ንሱ ኸኣ፡ እንሆ፡ ኣብ ክንዲ ውጽኣት ግዳም ሰብሲ ዒባ ማል እህበካ ኣሎኹ፡ ብእኡ ጌርካ እምጌራካ ኸተብስል ኢኻ፡ በለኒ። 16-17መሊሱውን፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ እንሆ፡ ኣብ የሩሳሌም ንምርኩስ እንጌራ ኽሰብሮ እየ። እንጌራን ማይን ክስእኑ እዮም እሞ፡ ንእንጌራ ብሚዛንን ብሽጋርን ክሰትይዎ እዮም። እቲ ሓደ ምስቲ ሓደ ዀይኖም ክሰትይዎ ክትክዙ፡ ብሰሪ ኣበሳኦምውን ክተፍኡ እዮም፡ በለኒ።

       ትን. ህዝቅኤል  ምዕራፍ 5            

   1ንስኻ ድማ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ በሊሕ ሰይፊ ውሰድ፡ ከም መላጸ ላጸዪ ዝበለ ውሰድ እሞ ርእስኻን ጭሕምኻን ተላጸየሉ። ሚዛን ወሲድካውን ነቲ ጸጕሪ ምቐሎ። 2መዓልትታት ምኽባብ ምስ ተፈጸመ፡ ነቲ ሲሶኡ ኣብ ማእከል እታ ኸተማ ብሓዊ ኣንደዶ። ነቲ ሲሶኡ ድማ ውሰዶ እሞ ኣብቲ ዙርያኡ ብሰይፊ ውቕዓዮ፡ ነቲ ሓደ ሲሶውን ኣብ ንፋስ ዝረዎ፡ ኣነ ድማ ደድሕሪኦም ሰይፊ ኽመልሕ እየ። 3ካባታተን ከኣ ሒደት ዝቝጽረን ወሰድ እሞ ኣብ ዘፈር ክዳንካ ቛጽረን። 4ካብ እዚኣተን ከኣ መሊሰካ ውሰድ፡ ኣብ ማእከል ሓዊ ድማ ደርብየን፡ ብሓዊውን ኣንድደን፡ ካብዚ ናብ ኵሉ ቤት እስራኤል ሓዊ ኽወጽእ እዩ።
5እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እዚኣስ የሩሳሌም እያ። ኣነ ኣብ ማእከል ህዝብታት ኣንበርክዋ፡ ሃገራትውን ኣብ ከባቢኣ ኣሎ። 6ንፍርደይ ንዒቖም፡ ከም ሕጋጋተይ ኣይተመላለሱን እዮም እሞ፡ ንሳ ብረሲእነት ካብ ኣህዛብ ገዲዳ ንፍርደይ ተጻረረቶ፡ ካብተን ከቢበንኣ ዘለዋ ሃገር ገዲዳ ድማ ንሕጋጋተይ ኣፍረሰቶ። 7ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ካብቶም ኣብ ዙርያኹም ዘለዉ ህዝብታት ገዲድኩም ስዲ ስለ ዝዀንኩምን ከም ሕጋጋተይ ስለ ዘይተመላለስኩምን ፍርደይ ስለ ዘይገበርኩምን ከም ፍርዲ እቶም ኣብ ከባቢኹም ዘለዉ ህዝብታት እኳ ስለ ዘገበርኩምንሲ፡ 8ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እኔኹ፡ ኣነ እመጻኪ ኣሎኹ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ህዝብታት ከኣ ኣብ ማእከልኪ ፍርዲ ኸውጽእ እየ። 9ብሰሪ ዅሉ ጽያፍኪ ኸኣ፡ ገይረዮ ዘይፈልጥ ድሕርዚ ኸኣ ከቶ ዘይገብሮ፡ ክገብረኪ እየ። 10ስለዚ ኣብ ማእከልኪ ወለዲ ንውሉዶም፡ ውሉድ ድማ ንወለዶም ክበልዑ እዮም። ፍርዲ ኣባኺ ኽፍጽሞ ፡ዅላቶም ዝተረፉኽውን ኣብ ኵሉ ንፋሳት ክዘርዎም እየ። 11ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ይብል ኣሎ፡ ኣነ ህያው እየ፡ ብርግጽ ንመቕደሰይ ብዅሉ ፍንፉን ነገርክን ብዅሉ ጽያፍክን ኣርከስክዮ፡ ስለዚ ኣነ ድማ ከንእሰኪ፡ ዓይነይ ብዘይ ድንጋጽ ካባኺ ኽመልስ ኣይክምሕረክንውን እየ። 12ሲሶኺ ብፌራ ኽሞቱ፡ ኣብ ማእከልኪ ኸኣ ብጥሜት ክውድኡ እዮም፡ እቲ ሓደ ሲሶ ድማ ኣብ ዙርያኺ ብሰይፊ ኽወድቕ እዩ: ነቲ ሓደ ሲሶ ኸኣ ኣብ ኵሉ ንፋሳት ክዘርዎ፡ ደድሕሪኦምውን ሰይፈይ ክመልሕ እየ። 13ኵራይ ሃንኡ ኽወጽእ፡ ነድረይ ከኣ ኣብ ልዕሊኦም ክዝሕል እዩ፡ ኣነውን ሕነ ኽፈድዮም እየ። ነድረይ ኣባታቶም ምስ ኣዝሓልኩ፡ ሽዑ ኣነ እግዚኣብሄር ብጸዓተይ ከም እተዛረብኩ ኽፈልጡ እዮም። 14ኣብቶም ከቢቦምኺ ዘለዉ ህዝብታትን ኣብ ዓይኒ እቶም ብእኡ ዝሓልፋ ዅላቶምን ከኣ ምድረ በዳን መጻረፍን ክገብረኪ እየ። 15ብዅራን ብነድርን ብመዓት ነድርን ምስ ፈረድኩኺ፡ እዚ ኣብቶም ኣብ ከባቢኺ ዘለዉ ህዝብታት ንመጻረፍን ንመላገጽን ንመለበምን ንመሰክሕን ክኸውን እዩ። ኣነ እግዚኣብሄር ተዛሪበ ኣሎኹ። 16ንጥፍኣቶም ዝኸውን ናይ ጥሜት ክፉእ ፍላጻ ኣብ ርእሶም ምስ ሰደድኩ፡ ምእንቲ ኸጥፍኣኩም ክሰዶ እየ፡ ነቲ ጥሜትኩም ከግድዶ እየ፡ ንምርኩስ እንጌራኹምውን ክሰብሮ እየ። 17ጥሜትን ንደቅኹም ዝቐትሉ ኣራዊትን ክሰደልኩም፡ ፌራን ደምን ከኣ ብማእከልኪ ኽሓልፍ እዩ፡ ሰይፊውን ከተንስኣልኪ እየ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ተዛሪበ ኣሎኹ።

       ትን. ህዝቅኤል  ምዕራፍ 6            

   1ከምዚ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ መጸኒ፡ 2ኣታ ወዲ ሰብ፡ ገጽካ ናብ ኣኽራን እስራኤል ኣቕንዓዮ እሞ ተነበየለን፡ 3በልውን፡ ኣትን ኣኽራን እስራኤል፡ ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኽ ስምዓ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ነኽራንን ንዅርባታትን ንሽንጭሮታትን ንለሴታትን ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እኔኹ ኣነ፡ እወ ኣነ ሰይፊ ኸምጽኣልኩም፡ ነቲ በረኽቲ ስፍራታትኩም ከጥፍኦ እየ። 4መሰውኢታትኩም ክፈርስ፡ እቲ ናይ ጸሓይ ኣዕኑድኩም ድማ ክሰባበር፡ ነቶም ውጕኣትኩም ከኣ ኣብ ቅድሚ እቶም ጣኦታትኩም ከውድቖም እየ። 5ንሬሳታት ደቂ እስራኤል ኣብ ቅድሚ ጣኦታቶም ከንብሮ፡ ኣዕጽምትኹም ድማ ኣብ ዙርያ መሰውኢታትኩም ክዘርዎ እየ። 6መሰውኢታትኩም ምእንቲ ኽባድምን ክዖኑን፡ ጣኦታትኩም ከኣ ክስበርን ክጠፍእን፡ ናይ ጸሓይ ኣዕኑድኩም፡ ንስኻትኩም ኣብ እትነብሩሉ ዘበለስ እተን ከተማታት ክዖንዋ እየን፡ እቲ በረኽቲ ቦታታት ከኣ ክፈርስ እዩ። 7ተወጊኦም ዝሞቱ ኣብ ማእከልኩም ክወድቁ እዮም፡ ንስኻትኩም ከኣ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም። 8ኣብ ሀሃገሩ ፋሕ ምስ በልኩም ግና፡ ኣብ ማእከል ህዝብታት ካብ ሰይፊ ዘምለጡ ሓያሎ ኽህልዉኹም እዮም፡ በዚ ኸምዚ ትርፊ ኽሓድገልኩም እየ። 9እቶም ዘምለጡ ሰብኩም ከኣ ነቲ ኻባይ ዝዘምበለ ዘማዊ ልቦምን፡ ነተን ክዝምዋ ደድሕሪ ጣኦታቶም ዝኸዳ ኣዒንቶምን ምስ ሰባበርኩ፡ ኣብቲ ዘማረኽክዎም ኣብ ማእከል ህዝብታት ኰይኖም ክዝክሩኒ እዮም። በቲ ብዅሉ ጽያፎም ዝገበርዎ እኩይ ከኣ ንርእሶም ክፍንፍኑ እዮም። 10ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝዀንኩ ኸኣ ክፈልጡ እዮም። እዚ መዓት እዚ ኸምጽኣሎም እየ ኢለ እተዛረብክዎ ብኸንቱ ኣይኰነን።
11እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ብሰይፍን ብጥሜትን ብፌራን ክወድቁ እዮም እሞ፡ ብኢድካ ኣጣቕዕ፡ ብእግርኻ ኸኣ ኰርደብደብ በል፡ ብዛዕባ ናይ ቤት እስራኤል ኵሉ እኩይ ጽያፍ ድማ፡ ኣየ፡ ወዮ፡ በል። 12እቲ ኣብ ርሑቕ ዘሎ ብፌራ ኽመውት፡ እቲ ኣብ ቀረባ ዘሎ ብፌራ ኽወድቕ፡ እቲ ዝተረፈን ተኸቢቡ ዘሎን ድማ ብጥሜት ክመውት እዩ። በዚ ኸምዚ ቍጥዓይ ኣብታቶም ክፍጽም እየ። 13እቶም ውጉኣቶም ኣብ ማእከል ጣኦታቶም ኣብ ዙርያ መሰውኢታቶም፡ ኣብ ልዕሊ ዅሉ በረኽቲ ዅድዅዶታት፡ ኣብ ዅሉ ርእሲ ኣኽራን፡ ኣብ ትሕቲ ዅሉ ልሙዕ ገረብ፡ ኣብ ትሕቲ ዅሉ ብርቱዕ ቈጽሊ ዘለዎ ኣውሒ፡ ኣብ ማእከል እቲ ንዅሎም ጣኦታቶም ጥዑም መኣዛ ዝዓጠኑሉ ስፍራ ምስ ኰነ፡ ሽዑ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክፈልጡ እዮም። 14ኣነ ኸኣ ኢደይ ክዝርግሓሎም እየ፡ ነታ ሃገር ድማ፡ ኣብ እተቐመጡ እኳ እንተ ተቐመጡ፡ ካብ በረኻ ዲብላታ እትገድድ ባዶን ጽምዋን ክገብራ እየ። ሽዑ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክፈልጡ እዮም።

       ትን. ህዝቅኤል  ምዕራፍ 7            

   1ከምዚ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ መጸኒ፡ 2ኣታ ወዲ ሰብ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ንሃገር እስራኤል ከምዚ ይብላ ኣሎ፡ መወዳእታ፡ ናብ ኣርባዕተ መኣዝን እታ ሃገርሲ መወዳእታ ይመጽእ ኣሎ። 3ሕጂ መወዳእታ ኣባኺ መጸ፡ ቍጥዓይ ድማ ክሰደልኪ፡ ከም መገድኺ መጠን ክፈርደኪ፡ ኵሉ ጽያፍኪ ድማ ኣብ ልዕሌኺ ኸውርደልኪ እየ። 4ዓይነይ ኣይክንሕፈክን ኣነውን ኣይክርሕርሓልክን፡ ኣነስ መገድኺ ደኣ ኣብ ልዕሌኺ ኸምጻልኪ እየ፡ ጽያፍኪ ድማ ኣብ ማእከልኪ ኪኸውን እዩ እሞ፡ ንስኻትኩም እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም።
5እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ መዓት፡ በይኑ ዝዀነ እኳ ደኣ መዓት እንሆ፡ ይመጽእ ኣሎ። 6መወዳእታ መጸ፡ እቲ መወዳእታ መጸ፡ ተላዕለኪ፡ እንሆ ይመጽእ ኣሎ። 7ኣታ ኣብ ሃገር ኣትነብር ዘሎኻ፡ ተራኻ መጸካ። እቲ ግዜ ብጽሐ፡ እልልታ ኣብ ኣኽራን ዘይስምዓላ መዓልቲ ዕግርግር ቐረበት። 8ሕጂ ብቕልጡፍ ነድረይ ክኽዕወልኪ፡ ሃና ቝጥዓይ ከኣ ክወጸልኪ፡ ከም መጠን መገድኺ ድማ ክፈርደኪ፡ ንዅሉ ጽያፍኪ ኣብ ልዕሌኺ ኸውርዶ እየ። 9ዓይነት ኣይኪንሕፍን እዩ፡ ኣነውን ኣይክርሕርሕን፡ ኣነስ ከም መጠን መገድኺ ኸምጽኣልኪ እየ፡ ጽያፍኪ ድማ ኣብ ማእከልኪ ክኸውን እዩ። ንስኻትኩምውን እቲ ዝወቅዕ ዘሎስ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም። 10እንሃ እታ መዓልቲ እንሃ መጸት። ተራኺ በጽሐ። እታ ሸቦጥ ዓምበበት፡ ትዕቢት ከኣ ጠጥዐ። 11ዓመጻስ ሸቦጥ ረሲእነት ኰይና ተላዕለት። ካባታቶም ሓደ እኳ የልቦን፡ ካብቲ ብዙሕ ህዝቦምን ካብቲ ሃብቶምን ካብቲ ግርማኦምን ዝተርፍ ሓደ እኳ የልቦን። 12ዘመን በጺሑ፡ መዓልቲ ቐሪቡ ኣሎ። ጕሁር ቍጥዓ ኣብ ልዕሊ ዅሉ እቲ ብዙሕ ህዝቦም እዩ እሞ፡ዝሻየጥ ኣይተሓጐስ፡ዝሸይጥውን ኣይጕሀ። 13እቲ ዝሸይጥ ብህይወቱ እኳ እንተሎ፡ ናብቲ ዝሸጦ ኣይክምለስን እዩ። ብዛዕባ እቲ ብዙሕ ህዝቦም ዝዀነ ራእይ ንድሕሪት ኣይክምለስን እዩ እሞ፡ ብዓመጽ ዝነብርሲ ንህይወቱ ዘጽንዓ ሓደ እኳ የልቦን። 14መለኸት ተነፍሐ፡ ኵሉ ኸኣ ተዳለወ፡ ቍጥዓይ ግና ኣብ ልዕሊ ዅሉ እቲ ብዙሕ ዝህቦም ኣሎ እሞ፡ ኣብ ውግእ ዝኸይድ ሓደ እኳ የልቦን። 15ኣብ ወጻኢ ሰይፊ ኣብ ውሽጢ ኸኣ ፌራን ጥሜትን ኣሎ። እቲ ኣብ ከተማ ዘሎውን ፌራን ጥሜትን ክውሕጦ እዩ። 16እቶም ካባታቶም ዘምለጡ ግና ከምተን ርግብታት ሽንጭሮ፡ ነፍሲ ወከፍ ብኣበሳኦም እናቘዘሙ፡ ኣብ ኣኽራን ክዀኑ እዮም። 17ኵለን ኣእዳው ክሕለላ፡ ኵለን ኣብራኽ ድማ ከም ማይ ከፈሳ እየን። 18ከሊ ኽዕጠቑ፡ ራዕዲ ክኽደኑ፡ ኵሉ ገጽ ብሕንኪ ኽጕልበብ፡ ኵሉ ርእስታቶም ድማ ክበርሕ እዩ። 19ብሩሮም ኣብ ኣደባባያት ክድርብዮ፡ ወርቆም ከኣ ከም ርኹስ ነገር ክኸውን እዩ። ብሩሮምን ወርቆምን ናይ ሓጢኣቶም እምኒ መዓንቀፊ ስለ ዝዀነ፡ በታ መዓልቲ ቝጥዓ እግዚኣብሄር ከድሕኖም ኣይተኻእሎን፡ ንጥሜቶም ኣይከጽግቦን፡ ንኸብዶምውን ኣይክመልኣሎምን እዩ። 20መልክዕ ስልማቶም ንትዕቢት ኰኖም፡ ምስሊ ርኽሰቶምን እቶም ዘፈንፍኑ ጣኦታቶምን ገበሩሉ። ስለዚ ኣነ ንኣታቶም ንርኽሰት ገበርክዎ። 21ዘመተ ክኽውን ድማ ኣብ ኢድ ጓኖት፡ ምርኮ ክኸውን ከኣ ንረሲኣን ምድሪ ኣሕሊፈ ኽህቦ እየ፡ ንሳቶም ድማ ከርክስዎ እዮም። 22ካባታቶም ገጸይ ክመልስ እየ፡ ንሳቶም ከኣ ንመዝገበይ ከርክስዎ፡ ገፋዕቲ ኣትዮም ድማ ከርክስዎ እዮም።
23እዛ ሃገር እዚኣ ቅትለተ ደመ ነፍሲ መሊኣ ኣላ፡ እዛ ኸተማ እዚኣውን ዓምጽ መሊእዋ እዩ እሞ፡ ሞቝሕ ኣዳሉ። 24ነቶም ኣዝዮም ሕሱማት ካብ ህዝብታት ከምጽእ እየ እሞ፡ እዚኣቶም ኣባይቶም ክወርሱ እዮም። ንትዕቢት እቶም ሓያላት ከጥፍኦ እየ፡ መቓድሶም ከኣ ክረኽሳ እየን። 25ጥፍኣት ይመጽእ ኣሎ፡ ንሳቶም ከኣ ሰላም ክደልዩ እዮም፡ ኣይርከብን ከኣ። 26መዓት ኣብ ርእሲ መዓት ክመጽእ፡ ወረውን ኣብ ርእሲ ወረ ክኸውን እዩ። ካብ ነብዪ ራእይ ክደልዩ፡ ግናኸ ሕጊ ኻብ ካህን፡ ምኽሪውን ካብ ኣረገውቲ ኽጠፍእ እዩ። 27እቲ ንጉስ ክትክዝ፡ እቲ መስፍን ድማ ሓዘን ክኸደን፡ ኣእዳዉ እቶም ህዝቢ እታ ሃገር ራዕራዕ ክብል እዩ። ከም መጠን መገዶም ክፈድዮም፡ ከከም ዝግብኦም ከኣ ክፈርዶም እየ። ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይውን ክፈልጡ እዮም።

       ትን. ህዝቅኤል  ምዕራፍ 8            

   1ኰነ ድማ፡ ኣብ ሳድሰይቲ ዓመት፡ ኣብታ ሳድሰይቲ ወርሒ፡ ካብታ ወርሒውን ኣብ ሓምሰይቲ መዓልቲ፡ ኣብ ቤተይ ተቕሚጠ ኸሎኹ፡ እቶም ዓበይቲ ይሁዳውን ኣብ ቅድመይ ተቐሚጦም ከለዉ፡ ኣብኡ ኢድ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብ ልዕለይ ወረደት። 2ሽዑ ርኣኹ፡ እንሆ፡ ትርኢት ሓዊ ዝመስል ምስሊ፡ ካብቲ ምስሊ ሕቝኡ ንታሕቲ ሓዊ፡ ካብ ሕቝኡ ንላዕሊ ድማ ድሙቕ ብርሃንን ዘንጸባርቕ ኣስራዝን ዝመስል እዩ። 3ንሱ ኸኣ ኢድ እትመስል ዘርግሐ፡ ብጸጕሪ ርእሰይ ድማ ሓዘኒ፡ መንፈሰውን ኣብ መንጎ ሰማይን ምድርን ኣልዓለኒ፡ ብራእይ ኣምላኽ ድማ ናብ የሩሳሌም ወሰደኒ፡ ናብቲ ውሽጣዊ ኣጻድ፡ በቲ ንሰሜን ኣቢሉ ዘርኢ ኣፍደገ፡ ናብቲ እቲ ንቕንኣት ዘለዓዕል ምስሊ ቕንኣት ዝነበሮ ኣምጽኣኒ። 4እንሆ ኸኣ፡ ከምቲ ኣብ ጐልጐል ዝርኣኽዎ ትርኢት፡ ክብሪ ኣምላኽ እስራኤል ኣብኡ ነበረ። 5ንሱ ኸኣ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ ኣብ ወገን ሰሜን ኣቢልካ ኣዒንትኻ ኣልዕል፡ በለኒ። ኣነ ድማ፡ ኣብ ሰሜን ኣቢለ ኣዒንተይ ኣልዓልኩ። እንሆ ድማ፡ ኣብ ሰሜን እቲ ደገ መሰውኢ ኣብቲ መእተዊ፡ እቲ ምስሊ ቕንኣት ነበረ። 6ንሱ ኸኣ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ እቲ ዝገብርዎ ዘለዉ ትርኢዶ ኣሎኻ፡ኣነ ካብ ቤት መቕደሰይ ምእንቲ ኽርሕቕ ኢሎም እቲ ቤት እስራኤል ኣብዚ ዝገብርዎ ዘለዉ ዓብዪ ጽያፍዶ ትርኢ ኣሎኻ፧ ኤረ ገና ካብዚ ዝዓቢ ጽያፍውን ክትርኢ ኢኻ፡በለኒ።
7ንሱ ኸኣ ናብ ደገ እቲ ኣጻድ ወሰደኒ፡ እንሆውን ኣብቲ መንደቕ ሓደ ነዃል ርኣኹ። 8ንሱ ኸኣ፡ ኣያ ወዲ ሰብ፡ ነቲ መንደቕ ኵዓቶ፡ በለኒ። ነቲ መንደቕ ምስ ኮዓትክዎ ድማ፡ እንሆ፡ ኣፍ ደገ ተኸብኩ። 9ንሱውን፡ እቶ እሞ ነቲ ኣብዚ ዝገብርዎ ዘለዉ ሕሱም ጽያፍ ርኣዮ፡ በለኒ። 10ኣቶኹን ርኣኹን፡ እንሆ ኸኣ፡ ብዙሕ ምስሊ እቶም ዘጸይፉ ለመም ዝብሉን ርኹሳት እንስሳን ኵሎም ጣኦታት ቤት እስራኤልን ኣብ ወሰነወሰን እቲ መንደቕ ተስኢሉ ነበረ። 11ኣብ ቅድሚኦም ከኣ ሰብዓ ሰብኣይ ካብ ዓበይቲ ቤት እስራኤል፡ ኣብ ማእከሎም ድማ የኣዛንያ ወዲ ሻፋን ቈይሙ፡ ኣብ ኢድ ነፍሲ ወከፎም ድማ ጽንሃህ ሒዞም፡ ኣብኡ ደው ኢሎም ነበሩ። እቲ መኣዛ ዕጣንውን ዑብ ኢሉ ወጸ። 12ሽዑ ንሱ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ እቶም ዓበይቲ ቤት እስራኤል፡ እግዚኣብሄር ኣይርእየናን፡ እግዚኣብሄር ነዛ ሃገር ሓዲግዋ እዩ፡ ኢሎምሲ፡ ነፍሲ ወከፎም ኣብ ጸልማት ኣብ ሸሽር ጓና ምስልታቶም ኰይኖም ዝገብርዎ ዘለዉዶ ርኢኻዮ ኣሎኻ፡በለኒ።
13ንሱ ኸኣ፡አረ ካብዚ ዝገድድ ዝገብርዎ ዘለዉ ጽያፍውን ክትርኢ ኢኻ፡ በለኒ። 14ናብቲ ናብ ሰሜን ኣቢሉ ዘሎ ኣፍ ደገ ቤት እግዚኣብሄር ወሰደኒ፡ እንሆ ኸኣ፡ ኣብኡ ኣንስቲ ተቐሚጠን ንተሙዝ ይበኽያሉ ነበራ። 15ሽዑ ድማ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ ርኢኻዮዶ፧ ገና ካብዚ ዝገድድ ርኽሰትውን ክትርኢ ኢኻ፡ በለኒ። 16ናብቲ ውሽጣዊ ኣጻድ ቤት እግዚኣብሄር ወሰደኒ። እንሆ ኸኣ፡ ኣብቲ ደገ መቕደስ እግዚኣብሄር ኣብ መንጎ ገበላን መሰውእን ኣስታት ዕስራን ሓሙሽተን ሰብኣይ ዝባኖም ናብ መቕደስ እግዚኣብሄር፡ ገጾም ድማ ናብ ምብራቕ ኣቢሎም ነበሩ። ናብ ምብራቕ ኣቢሎም ንጸሓይ ይሰግዱ ነበሩ። 17ንሱ ኸኣ፡ ኣታ ወዲ ሰብ ርኢኻዶ፧ ነታ ሃገር ብዓመጽ መሊኦምዋ፡ መመሊሶም ድማ ኵራይ ዘለዓዕሉስ፡ቤት ይሁዳ እዚ ኣብዚ ዝገብርዎ ዘለዉ ጽያፍዶ ውሒድዎም እዩ፧ እንሆ፡ ንሳቶምጨንፈር ኣብ ኣፍንጫኦም የቕርቡ ኣለዉ፡ በለኒ። 18ስለዚ ኣነ ድማ ብነድሪ ኽገብር እየ፡ ዓይነይ ኣይክትንሕፍን እያ፡ ኣይክርሕርሕን ከኣ እየ፡ ኣብ እዝነይ ዓው ኢሎም እንተ ጨርሑ እኳ ኣይክሰምዖምን እየ።

       ትን. ህዝቅኤል  ምዕራፍ 9            

   1ኣብ ኣእዛነይ ከኣ፡ እቶም ነታ ኸተማ ዝቕጽዑስ፡ ነፍሲ ወከፎም እቲ ዘጥፍኣሉ ኣጽዋር ኣብ ኢዱ ሒዙ ይቕረብ፡ እናበለ ዓው ኢሉ ጨደረ። 2እንሆ ድማ፡ ሹድሽተ ሰብኣይ፡ ነፍሲ ወከፎም እቲ ዝቐትለሉ ኣጽዋር ኣብ ኢዱ ሒዙ፡ ካብቲ መገዲ ናብ ሰሜን ኣቢሉ ዘርኢ ላዕላይ ደገ መጹ። ሓደ ሰብኣይ፡ ካብ ልሕጺ እንጣጢዕ እተገብረ ዓለባ እተኸድነ፡ ናብ ጸሓፊ ቐርኒ ቐለምውን ኣብ ሕቝኡ ዘለዎ፡ ኣብ ማእከሎም ነበረ። ኣትዮም ኣብ ጥቓ እቲ መሰውኢ ነሓሲ ቘሙ። 3ክብሪ ኣምላኽ እስራኤል ካብቲ ዝነበሮ፡ ካብ ልዕሊ ኩሩቤል ተላዕለ፡ ናብቲ ልዳት እታ ቤት ከኣ ኸደ። ነቲ ካብ ልሕጺ እንጣጢዕ እተገብረ ዓለባ እተኸድነ፡ ናይ ጸሓፊ ቐርኒ ቐለምውን ኣብ ሕቝኡ ዝነበሮ ሰብኣይ ጸውዖ። 4እግዚኣብሄር ከኣ፡ ብማእከል፡ ከተማ ብማእከል የሩሳሌም ሕለፍ እሞ ነቶም ዝጕህዪን ነቶም ብዛዕባ እቲ ኣብ ማእከላ ዝግበር ዘሎ ጽያፍ ዝጉህዩን ዝትክዙንሲ ኣብ ግምባሮም ማሕተም ግበረሎም፡ በሎ። 5ኣነ እናሰማዕኩ ኸኣ ነቶም ካልኦት በሎም፡ ደድሕሪኡ በታ ኸተማ ሓሊፍኩም ውቕዑ፡ ዓይንኹም ንሓደ እኳ ኣይትንሓፍ ኣይትራሕርሑውን። 6ካብ መቕደሰይ ጀሚርኩም ንኣረገውትን ነጉባዝን ንጕረዙን ንቐለውዕን ንኣንስትን ቅተሉ፡ ኣጽንቱ። ነቶም ማሕተም ዘለዎም ግና ኣይትቕረብዎም። ንሳቶም ከኣ በቶም ኣብ ቅድሚ እታ ቤት ዘለዉ ኣረገውቲ ጀመሩ። 7ንሱ ድማ፡ ናታ ቤት ኣርክስዋ፡ ነቲ ኣጻዳት ከኣ ብምዉታት ምልእዎ፡ ውጹ፡ በሎም። ንሳቶም ወጹ ኣብታ ኸተማውን ይወቕዑ ነበሩ።
8ኰነ ድማ፡ክወቕዑ ኸለዉ፡ ኣነ ተረፍኩ። ብገጸይ ወደቕኩ እሞ፡ ኣየ ኣታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ነድርኻ ኣብ የሩሳሌም ኪዒኻዶ፡ ንዅሎም ትርፎፍያ እስራኤል ከተጥፍኦም ኢኻ፡ኢለ ጨራሕኩ። 9ንሱ ድማ በለኒ፡ ኣበሳ ቤት እስራኤልን ይሁዳን ኣዝዩ ዓብዪ እዩ። እግዚኣብሄር ነዛ ሃገር ሓዲግዋ፡ እግዚኣብሄር ሓንቲ እኳ ኣይርእን እዩ፡ ይብሉ ኣለዉ እሞ፡ እታ ሃገር ብደም፡ እታ ኸተማውን ብዓመጽ መሊአን ኣለዋ። 10ስለዚ ዓይነይ ኣይክትንሕፍን እያ፡ ኣነ ኣይክርሕርሕን፡ መገዶምውን ኣብ ርእሶም ክመልሰሎም እየ። 11እንሆ ኸኣ፡ እቲ ካብ ልሕጺ እንጣጢዕ እተገብረ ዓለባ እኸድነ፡ ናይ ጸሓፊ ቐርኒ ቐለምውን ኣብ ሕቑኡ ዝነበሮ፡ ከምቲ ዝኣዘዝካኒ ገበርኩ፡ ኢሉ ጸብጻቡ ሃበ።

       ትን. ህዝቅኤል  ምዕራፍ 10            

   1ሽዑ ጠመትኩ፡ እንሆ ድማ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ርእሲ ኪሩቤል ዘለዎም ጠፈር፡ ከም እምኒ ሰፊሮስ፡ ትርኢት ዝፋን ዝመስል ኣብ ልዕሊኦም ተገልጸ። 2ንሱ ኸኣ ነቲ ብልሕጺ እንጣጢዕ እተገብረ ዓለባ እተኸድነ ሰብኣይ፡ ኣብ መንጎ እቲ መንኰራዅር ኣብ ትሕቲ ኪሩቤል እቶ፡ ካብቲ ኣብ ማእከል ኩሩቤል ዘሎ ነዳዲ ፈሓም ድማ በእዳውካ ሓፊንካ ኣብ ልዕሊ እታ ኸተማ ንዝሓዮ፡ ኢሉ ተዛረበ። ንሱውን እናርአኽዎ ኣተወ። 3እቲ ሰብኣይ ክኣቱ ኸሎ፡ እቶም ኪሩቤል ብወገን የማን እታ ቤት ደው ኢሎም ነበሩ። 4ክብሪ እግዚኣብሄር ድማ ካብ ልዕሊ እቶም ኪሩቤል ተላዕለ ናብ ልዳት እታ ቤት ከኣ ኸደ። እታ ቤት ድማ ብደበና መልአት፡ እቲ ኣጸድውን ብባና ኽብሪ እግዚኣብሄር መሊኡ ነበረ። 5ህማም ኣኽናፍ ኪሩቤል ከኣ፡ ከም ድምጺ እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ክዛረብ ከሎ ዀይኑ፡ ክሳዕ እቲ ግዳማዊ ኣጸድ ተሰምዐ። 6ኰነ ኸኣ፡ ነቲ ካብ ልሕጺ እንጣጢዕ እተገብረ ዓለባ እተኸድነ ሰብኣይ፡ ካብ መንጎ እቲ መንኰራዅር፡ ካብ መንጎ እቲ ኪሩቤል ሓዊ ውሰድ፡ ኢሉ ምስ ኣዘዞ፡ ንሱ ኣተወ ኣብ ጥቓ መንኰራዅር ድማ ቘመ። 7እቲ ኪሩብ ድማ ካብ መንጎ እቶም ኪሩቤል ናብቲ ኣብ መንጎ ኪሩቤል ዘሎ ሓዊ ኢዱ ዘርጊሑ ኻብኡ ወሰደ፡ ኣብ ኣእዳው እቲ ኻብ ልሕጺ እንጣጢዕ እተገብረ ዓለባ እተኸድነ ድማ ኣንበሮ። ንሱውን ተቐቢልዎ ወጸ።
8ኣብ ትሕቲ ኣኽናፍ ኪሩቤል ከኣ ኢድ ሰብ ዝመስል ተራእየ። 9ጠመትኩ፡ እንሆ ኸኣ፡ ኣብ ጥቓ እቶም ኪሩቤል ኣርባዕተ መንኰራዅር ኣብ ጥቓ ነፍሲ ወከፍ ኪሩብ ነበረ። ትርኢት እቲ መንኰራዅር ድማ ከም ሕብሪ እምኒ ክሪሶሊት ነበረ። 10ትርኢት ኣርባዕቲኦም ከኣ ይመሳሰል ነበረ፡ እቲ ሓደ መንኰርኰር ኣብ ውሽጢ እቲ ሓደ መንኰርኰር ከም ዝኣተወ ይመስል ነበረ። 11ክኸዱ ኸልዉ ድማ በርባዕተ ወገኖም ይኸዱ፡ ምስ ዝኸዱ ኸኣ ኣይምለሱን ነበሩ። እቲ ርእሲ ናብ ዘበሎ ስፍራ ይስዕብዎ ነበሩ እምበር፡ክኸዱ ኸለዉስ ኣይምለሱን ነበሩ። 12ኵሉ ስጋኦምን ዝባኖምን ኣእዳዎምን ኣኽናፎምን እቲ መንኰራዅርን ኣርባዕቲኡ መንኰራዅሮምን ብዅሉ ዙርያኦም ኣዒንቲ መሊእዎም ነበረ፡ 13ነቲ መንኰራዅር ከኣ፡ ኣነ እናሰማዕኩ፡ ኣንኰርኰርቲ ኢሎም ይሰምይዎ ነበሩ። 14ነፍሲ ወከፍ ኣርባዕተ ገጽ ነበሮ፡ እቲ ቐዳማይ ገጽ ናይ ኪሩብ ገጽ፡ እቲ ኻልኣይ ገጽ ናይ ሰብ ገጽ፡ እቲ ሳልሳይ ከኣ ገጽ ኣንበሳ፡ እቲ ራብዓይ ድማ ገጽ ንስሪ እዩ። 15እቶም ኪሩቤል ከኣ ተላዕሉ፡ ንሳቶምውን እቶም ቀደም ኣብ ርባ ኬባር ዝርኣኽዎም እንስሳ እዮም። 16እቶም ኪሩቤል ክኸዱ ኸለዉ፡ እቲ መንኰራዅር ድማ ጐጐብኦም ይኸይድ ነበረ። እቶም ኪሩቤል ካብ ምድሪ ኽለዓሉስ ኣኽናፎም እንተ ዘርግሑ፡ እቲ መንኰራዅርውን ካብ ጥቓኦም ኣየግልስን ነበረ። 17መንፈስ እቶም እንስሳ ኣብኦም ስለ ዝነበረ፡ እቲኣቶም ደው ክብሉ ኸለዉ፡ እዚ ድማ ደው ይብል ነበረ፡ እቲኣቶም ክለዓሉ ኸለዉ፡ እዚውን ይለዓል ነበረ።
18ክብሪ እግዚኣብሄር ካብ ልዕሊ ልዳት እታ ቤት ወጸ፡ ኣብ ሊዕሊ ኪሩቤል ከኣ ቘመ። 19እቶም ኪሩቤል ድማ ኣኽናፎም ዘርግሑ። ክነቕሉ ኸለዉ ኸኣ፡ እቲ መንኰራዅር ብጥቓኦም ኰይኑ፡ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ካብ ምድሪ ተላዕሉ፡ ኣብቲ ናይ ምብራቕ ኣፍ ደገ ቤት እግዚኣብሄር ድማ ቘሙ። ክብሪ ኣምላኽ እስራኤልውን ኣብ ልዕሊኦም ነበረ። 20እዚኦም ከኣ እቶም ኣብ ትሕቲ ኣምላኽ እስራኤል ኣብ ጥቓ ርባ ኬባር ዝርኣኽዎም እንስሳ እዮም። ኣነውን ኪሩቤል ምዃኖም ኣለሌኽዎም። 21ንነፍሲ ወከፎም ኣርባዕተ ገጽ፡ ንነፍሲ ወከፎም ድማ ኣርባዕተ ኽንፊ ነበሮም። ኣብ ትሕቲ ኣክናፎም ከኣ ኣእዳው ሰብ ዝመስል ነበሮም። 22መልክዕ ገጾም ከምቲ ኣብ ጥቓ ርባ ኬባር ዝርኣኽዎ ገጽ ነበረ፡ ትርኢቶም ከምኡ ነበረ። ነፍሲ ወከፎም ንቕድሚኡ ትኽ ኢሉ ይኸይድ ነበረ።

       ትን. ህዝቅኤል  ምዕራፍ 11            

   1መንፈስ ኣልዓለኒ ናብቲ ወገን ምብራቕ፡ ናብቲ ናብ ምብራቕ ኣቢሉ ዝርኢ ደገ ቤት እግዚኣብሄር ድማ ወሰደኒ። እንሆ ኸኣ፡ ኣብቲ ደገ ኣፍ ዕስራን ሓሙሽተን ሰብኣይ ነበሩ፡ ኣብ ማእከሎም ድማ ነቶም መሳፍንቲ ህዝቢ ያኣዛንያ ወዲ ዓዙርን ፈላጥያ ወዲ በናያን ርአኽዎም። 2በለኒ ኸኣ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ እዚኣቶም ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ሕሰም ዝጠልፉ፡ እኩይ ዝመኽሩ ሰባት እዮም። 3ንሳቶም ድማ፡ ኣይቀረበን፡ ኣባይቲ ንስራሕ፡ ንሳ ድስቲ እያ፡ ንሕና ኸኣ ስጋ ኢና፡ ይብሉ ኣለዉ። 4ስለዚ ኣንጻሮም ተነበየሎም፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ ተነበ፡ በለኒ። 5-6መንፈስ እግዚኣብሄር ከኣ ኣባይ ወረደ እሞ፡ እግዚኣብሄርሲ፡ ኣቱም ቤት እስራኤል፡ ንስኻትኩም ከምዚ ትብሉ ኣሎኹም፡ ኣነውን ሓሳባት ልብኹም እፈልጦ እየ። ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ብዙሓት ቀተልኩም፡ ነደባባያታ ኸኣ ብቕቱላት መላእኩማ፡ ይብል ኣሎ፡ ኢልካ ንገሮም፡ በለኒ። 7ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እቶም ኣብ ማእከላ ዘንበርኩምዎም ቅቱላት፡ ንሳቶም ስጋ እዮም፡ ንሳ ኸኣ ድስቲ እያ፡ ንስኻትኩም ግና ካብ ማእከላ ኽትወጹ ኢኹም። 8ሰይፊ ፈራህኩም፡ ሰይፊ ድማ ከምጽኣልኩም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። 9ካብ ማእከላ ኸውጽኣኩም፡ ናብ ኢድ ጓኖት ከኣ ከሕልፈኩም፡ ፍርዲውን ኣባኻትኩም ክገብር እየ። 10ብሰይፊ ኽትወድቁ ኢኹም፡ ኣብ ወሰን እስራኤል ክፈርደኩም እየ፡ ንስኻትኩምውን ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም። 11እዛ ኸተማ እዚኣ ድስቲ ኣይክትኰነልኩምን፡ ንስኻትኩም ድማ ኣብ ማእከላ ስጋ ኣይትኰኑን ኢኹም፡ ኣብ ወሰን እስራኤል ክፈርደኩም እየ። 12ንስኻትኩምሲ ፍርዲ ኣቶም ኣብ ዙርያኹም ዘለዉ ኣህዛብ ገበርኩም እምበር፡ ከም ትእዛዛተይ ኣይተመላለስኩምን፡ ፍርደይ ከኣ ኣይገበርኩምን እሞ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም። 13ኰነ ኸኣ፡ ኣነ ኽንበ ኸሎኹ፡ ፈላጥያ ወዲ በናያ ሞተ። ሽዑ ብግምባረይ ተደፊአ ዓው ኢለ፡ ኣየ፡ ኣታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ነቶም ትርፎፍያ እስራኤልዶ ብጥራስ ከተጥፍኦም ኢኻ፡ኢለ ጨራሕኩ።
14ከምዚ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ ናባይ መጸ፡ 15ኣታ ወዲ ሰብ፡ እቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነብሩ እዮም ነሕዋትካ፡ እወ ነሕውትካ፡ ነቶም ኣዝማድካን ንቤት እስራኤል ዘበሉ ዅሎምን፡ ካብ እግዚኣብሄር ርሓቑ፡ እዛ ሃገር ንኣና ንርስቲ ተውሂባትና እያ፡ ዝበልዎም። 16ስለዚ ኸኣ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ናብ ማእከል ህዝብታት እኳ እንተ ኣርሓቕኩዎም፡ ኣብ ማእከል ሃገራትውን እንተ ዘሮኹዎም፡ ኣብቲ ዘዝመጽዎ ሃገራት ንቕሩብ ግዜ መቕደስ ክዀኖም እየ፡ ይብል ኣሎ፡ ኢልካ ንገሮም። 17ስለዚ ድማ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ካብቶም ህዝብታት ክእክበኩም፡ ካብቲ ፋሕ ኢልኩምዎ ዘሎኹም ሃገራት ከኣ ክኣኻኽበኩም፡ ሃገር እስራኤልውን ክህበኩም እየ፡ ይብል ኣሎ፡ ኢልካ ንገሮም። 18ናብኣ ኸኣ ኪመጹ እዮም፡ ኵሉ እቲ ኣብኣ ዘሎ ዘስገድግድ ነገራን ኵሉ ጽያፍን ድማ ካብኣ ኸርሕቕዎ እዮም። 19-20ብትእዛዛተይ ምእንቲ ኽመላለሱ፡ ንፍርደይ ከኣ ኽሕልዉን ክገብርዎን፡ ሓደ ልቢ፡ ኽህቦም፡ ሓድሽ መንፈስ ድማ ኣብ ውሽጥኹም ከሕድረልኩም እየ። ካብ ስጋኦም ናይ እምኒ ልቢ ኸውጽእ፡ ናይ ስጋ ልቢውን ክህቦም እየ። ንሳቶም ህዝበይ ክዀኑ እዮም፡ ኣነውን ኣምላኾም ክኸውን እየ። 21ግናኸ እቶ፡ ልቦም ንልቢ እቶም ፍንፉናት ነገሮምን ጽያፎምን ዝስዕብሲ፡ መገዶም ኣብ ርእሶም ክመልሰሎም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
22ሽዑ እቶም ኪሩቤል ኣኽናፎም ኣልዓሉ፡ እቲ መንኰራዅር ከኣ ጐጐብኦም ነበረ፡ ክብሪ ኣምላኽ እስራኤል ድማ ኣብ ላዕሊ፡ ኣብ ልዕሊኦም ነበረ። 23ክብሪ እግዚኣብሄር ከኣ ካብ ማእከል እታ ኸተማ ተላዕለ እሞ ኣብ ልዕሊ እቲ ብወገን ምብራቕ እታ ኸተማ ዘሎ ኸረን ቈመ። 24መንፈስ ድማ ኣልዓለኒ፡ በቲ መንፈስ ኣምላኽ ከኣ ብራእይ ናብ ምድሪ ከለዳውያን፡ ናብቶም ምሩኻት ወሰደኒ። እቲ ዝርእዮ ዝነበርኩ ራእይ ድማ ካብ ቅድመይ ህልም በለ። 25ኣነ ኸኣ እቲ እግዚኣብሄር ዘርኣየኒ ዅሉ ቓላት ነቶም ምሩኻት ነገርክዎም።

       ትን. ህዝቅኤል  ምዕራፍ 12            

   1ከምዚ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ መጸኒ፡ 2ኣታ ወዲ ሰብ፡ ንስኻስ ኣብ ማእከል ዓላዊት ቤት ትነብር ኣሎኻ። ዓላዊት ቤት እዮም እሞ፡ ኣዒንቲ ንምርኣይ ዘለዎም፡ ዘይርእዩ፡ ኣእዛን ከኣ ንምስማዕ ዘለዎም፡ ዘይሰምዑ እዮም። 3ስለዚ ኣታ ወዲ ሰብ፡ ከም ስደተኛ ካንካ ተበትብ ኣዳሉ እሞ ኣብ ቅድሚኦም ብመዓልቲ ተበገስ። ዓላዊት ቤት እዮም እሞ፡ ምናልባሽ እንተ ኣስተንተኑ፡ ኣብ ቅድሚኦም ካብ ስፍራኻ ናብ ካልእ ስፍራ ጕዓዝ። 4ከምቲ ተበትብ ስደት፡ ንተበትብካ ኣብ ቅድሚኦም ብመዓልቲ ኣውጽኣዮ። ከምቲ ንስደት ዝወጽእ ሰብ ኬንካ፡ ኣብ ቅድሚኦም ምሸት ውጻእ። 5ኣብ ቅድሚኦም ነቲ መንደቕ ኣንኵሎ፡ ብእኡ ድማ ኣውጽኣዮ። 6ኣብ ቅድሚኦም ኣብ መንኵብካ ጹሮ፡ ምስ ጸልመተ ድማ ኣውጽኣዮ። ንቤት እስራኤል መመሰሊ ገይረካ እየ እሞ፡ ነዛ ምድሪ ምእንቲ ከይትርእያ፡ ገጽካ ተዓመት። 7ከምቲ ዝኣዘዘኒ ገበርኩ፡ ንተበትበይ፡ ከም ተበትብ ስደት ገይረ፡ ብመዓልቲ ኣውጻእክዎ፡ ምሸት ከኣ ነቲ መንደቕ ብኢደይ ኣንኰልክዎ። ምስ ጸልመተ ድማ፡ ኣብ መንኵበይ ጾይረ ኣብ ቅድሚኦም ኣውጻእክዎ።
8ንጽብሒቱ ኸኣ ከምዚ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር መጸኒ፡ 9ኣታ ወዲ ሰብ፡ ቤት እስራኤል፡ እዛ ዓላዊት ቤትሲ፡ እንታይ ደኣ እዩ እትገብሮ ዘሎ ኢላዶ ኣይተዛረበትካን፡ 10እግዚኣብሄር ኣምላኽሲ፡ እዚ ጾር እዚ ነቲ ኣብ የሩሳሌም ዘሎ መስፍንን ነቶም ኣብ ማእከላ ዘለዉ ዅሎም ቤት እስራኤልን እዩ፡ ይብል ኣሎ ኢልካ ንገሮም፡ 11በለውን፡ ኣነ ምሳሌኹም እየ። ከምቲ ኣነ ዝገበርክዎ፡ ከምኡ ኽገብርዎም እዮም፡ ንሳቶም ብስደት ናብ ምርኮ ክኸዱ እዮም። 12እቲ ኣብ ማእከሎም ዘሎ መስፍን፡ ኣብ መንኵቡ ጸይሩ፡ ምስ ጸልመተ ኽወጽእ እዩ፡ ምእንቲ ኸውጽእዎስ፡ ነቲ መንደቕ ከንኵልዎ እዮም። ነታ ምድሪ በዒንቱ ኸይርእያ ድማ ገጹ ኽዕመት እዩ። 13መርበበይ ከኣ ኣብ ልዕሊኡ እዝርግሓሉ፡ ብመፈንጠራይ ድማ ይተሓዝ። ናብ ባቢሎን፡ ናብ ምድሪ ከለዳውያን ከምጻኦ እየ፡ ግናኸ ኣብኣ ኽመውት ክነሱስ ኣይክርእያን እዩ። 14ንዅላቶም ክሕግዝዎ ኢሎም ዝኸብዎን ንዅሎም ሰራዊቱን ናብ ኵሉ ንፋሳት ፋሕ ከብሎም፡ ሰይፈይ ድማ ደድሕሪኦም ክመዝዝ እየ። 15ኣብ ማእከል ህዝብታት ምስ ዘሮኽዎምን ኣብ ማእከል ሃገራት ፋሕ ምስ ኣበልክዎምን ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክፈልጡ እዮም። 16ካባታቶ ግና ኣብቶም ዝመጽዎም ህዝብታት ኵሉ ፍንፉን ነገሮም ምእንቲ ኸዘንትዉስ፡ ካብ ሰይፍን ጥሜትን ፌራን ሒዶት ከትርፍ እየ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ከኣ ክፈልጡ እዮም።
17ከምዚ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ መጸኒ፡ 18ኣታ ወዲ ሰብ፡ እንጌራኻ ራዕራዕ እናበልካ ብላዕ፡ ማይካ ኸኣ ብፍርሃትን ብሰንፈላልን ስተ። 19-20ንህዝቢ እዛ ሃገር እዚኣ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ብዛዕባ እቶም ኣብ የሩስሌምን ኣብ ሃገር እስራኤልን ዝነብሩስ፡ ሃገሮም ብሰሪ ዓመጽ ኵሎም ኣቶም ዝነብርዋ፡ ምስቲ ኣባኣ ዘሎ ኽትባድም ኣያ እሞ፡ እንጌራኦም ብሰንፈላል ክበልዑ፡ ማዮም ድማ እናስካሕክሑ ኽሰትዩ እዮም። እዘን ሰብ ዝነብረለን ዘሎ ኸተማታት ክዓንዋ እየን፡ እታ ሃገር ድማ ክትባድም እያ፡ ንስኻትኩምውን ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም፡ ይብል ኣሎ ኢልካ ንገሮም።
21ከምዚ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር መጸኒ፡ 22ኣታ ወዲ ሰብ፡ ኣብ ሃገር እስራኤል፡ ዘመን ይነውሕ፡ ራእይ ዘበለ ዅሉውን ይጠፍእ ኣሎ፡ ኢኩም እትምስሉስ እንታይ ምስላኡ እዩ እዚ፡ 23ስለዚ በሎም፡ ከምዚ ይብል ኣሎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ነዚ ምስላ እዚ መወዳእታ ኽገብረሉ እየ፡ ኣብ እስራኤል ከኣ መሊሶም ኣይክምስልዎን እዮም፡ ንስኻ ግና፡ ዘመን መፈጸምታ ዅሉ ራእይን ይቐርብ ኣሎ፡ ኢልካ ደኣ ንገሮም። 24ስለዚ ኣብ ማእከል ቤት እስራኤል ድሕርዚ ኸንቱ ራእይን ሓሳዊ ትንቢትን ኣይክኸውንን እዩ። 25ኣነ እግዚኣብሄር እየ እሞ፡ ኣነ እየ ዝዛረብ፡ እቲ ዝዛረቦ ቓል ከኣ ክፍጸም ኣይክድንጕን ድማ እዩ። ኣቱም ዓላዊት ቤት፡ ብዘመንኩም ቃል እዛረብ፡ እገብሮውን ኣሎኹ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
26ከምዚ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ከኣ መጸኒ፡ 27ኣታ ወዲ ሰብ፡ እንሆ፡ ቤት እስራኤልሲ፡ እቲ ዝርእዮ ራእይ ንዝመጽእ ነዊሕ ዘመን እዩ፡ ንርሑቕ ዘሎ ግዝያት ድማ እዩ ዝንበ ዘሎ፡ ይብሉ ኣለዉ። 28ስለዚ በሎም፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ድሕርዚ ኻብተን ቃላተይሲ ሓንቲ እኳ ኣይክትድንጕን እያ። እታ እተናገርክዋ ቓል ከኣ ክትፍጸም እያ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ኢልካ ንገሮም።

       ትን. ህዝቅኤል  ምዕራፍ 13            

   1ከምዚ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ መጸኒ፡ 2ኣታ ወዲ ሰብ፡ ነቶም ዝንበዩ ዘለዉ ነብያት እስራኤልሲ ኣንጻሮም ተነበየሎም፡ ነቶም ካብ ልቦም ሃንዲሶም ዝንበዩ ዘለዉውን፡ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ፡ ኢልካ ንገሮም። 3እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ነቶም ገለ ኸይርኣዩስ ንመንፈስ ርእሶም ዝስዕቡ ዓያሱ ነብያት ወይለኦም፡ ይብል ኣሎ። 4ኣታ እስራኤል፡ ነብያትካ ኸም እተን ኣብ ምድረ በዳ ዝነብራ ወኻሩ እዮም። 5በታ መዓልቲ እግዚኣብሄር ኣብ ኲናት ቀጥ ኢልኩም ክትቈሙስ፡ ናብቲ ፍራስ ኣይወጻእኩምን፡ ኣብ ዙርያ ቤት እስራኤልውን ቀጽሪ ኣይሰራሕኩምን። 6እቶም እግዚኣብሄር ከይለኣኾምሲ፡እግዚኣብሄር ይብል ኣሎ፡ኢሎም ቃሎም ከም ዝፍጸም ዘተስፍዉ፡ ከንቱነትን ትንቢት ሓሶትን እዮም ዝረኣዩ። 7ኣነ ኸይተዛረብኩስ ንስኻትኩም፡ እግዚኣብሄር ይብል ኣሎ፡ እትብሉ ዘሎኹም፡ ከንቱ ራእይዶ ኣይኮነን ዝርኣኹምዎ፧ ትንቢት ሓሶትዶኸ ኣይኰነን እተዛረብኩምዎ፧
8ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ከንቱነት ስለ እተዛረብኩም ሓሶትውን ስለ ዝርኣኹም፡ ስለዚ እኔኹ ተሃንዲደኩም ኣሎኹ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። 9ኢደይ ከኣ ነቶም ከንቱነት ዝርእዩን ሓሶት ዝንበዩን ዘለዉ ነብያት ተጻሪራቶም ኣላ። ንሳቶም ኣብ ባይቶ ህዝበይ ኣይክህልዉን፡ ኣብ ደብተር ቤት እስራኤል ድማ ኣይክጸሓፉን፡ ናብ ሃገር እስራኤል ከኣ ኣይክኣትዉን እዮም፡ ንስኻትኩም ድማ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም። 10ሰላም ዘልቦ፡ ሰላም ኣሎ፡ ኢሎም ንህዝበይ ስለ ዘስሓትዎ፡ እወ ስለ ዘስሓትዎ፡ ንሱ መንደቕ እንተ ነደቐ፡ እንሆ፡ ንሳቶም ብዘይ ቀውም ጸብሪ ይልቕልቕዎ ኣለዉ። 11ነቶም ብዘይ ቀውም ጸብሪ ዝልቕልቕዎስ፡ክወድቕ እዩ፡ በሎም። ዝደማስስ ዝናም ክዘንም እዩ፡ ኣቱም ኣእማን በረድ፡ ክትወድቁ ኢኹም፡ ህቦብላ ንፋስ ከኣ ከፍርሶ እዩ። 12እንሆ፡ እቲ መንደቕ ምስ ፈረሰ፡ እቲ ዝለቕለቕኩምሉ ጸብርስ ኣበይ ኣሎዶ ኣይክብሉኹምን እዮም፡
13ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ብነድረይ ህቦብላ ንፋስ ክፍኑ፡ ብዅራይ ድማ ዝደማስስ ዝናም ከዝንም፡ ብነድረይውን ዘጥፍእ ኣእማን በረድ ከውርድ እየ። 14ነቲ ብዘይ ቀውም ጸብሪ ዝለቕለቕኩምዎ መንደቕ ከፍርሶን ናብ ምድሪ ኸውድቖን እየ። መሰረቱውን ጋህ ክብል እዩ። ንሱ ኽወድቕ እዩ፡ ንስኻትኩም ከኣ ኣብ ማእከሉ ኽትጠፍኡ ኢኹም እሞ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም። 15ነቲ መንደቕን ነቶም ብዘይ ቀውም ጸብሪ ዝለቕለቕዎን ሃና ነድረይ ከውጽኣሎም እየ።ኣነ ድማ፡ እቲ መንደቕ የሎን፡ እቶም ዝለቕለቕዎውን የለዉን ክብለኩም እየ። 16ንሳቶም እቶም ብዛዕባ የሩሳሌም ዝንበዩ፡ ሰላም፡ዘልቦስ ራእይ ሰላም ዝርእዩላ ዘለዉ ነብያት እስራኤል እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
17ንስኻውን ኣታ ወዲ ሰብ፡ ገጽካ ናብተን ካብ ልበን ሃንዲሰን ዝንበያ ኣዋልድ ህዝብኻ ኣብል ኣንጻረን ድማ ተነበየለን፡ 18ንነፍሳት ከፈንጥራስ፡ እተን መኸዳ ንዅሉ ዅርናዕ ኣእዳው ዝሰፍያን ንዓብይን ንንእሽቶይን ኵሉ ርእሲ ድማ መጐልበቢ ዝገብራን ወይለአን። ነፍሳት ህዝበይ ትፍንጥራ፡ ነፍሳትክንዶ ኸተድሕና ኢኽን፡ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ኢልካ ንገር። 19ንስኻትክን ነተን ዘይሞታ ነፍሳት ንሞት እናወፌኽን፡ ነተን ብህይወት ክነብራ ዘይግባአን ነፍሳት ከኣ ህይወተን እናኣድሓንክ፡ ነቲ ሓሶት ዝሰምዕ ህዝበይ እንሓሶኽናሉ፡ ምእንቲ ዕሙዅቲ ስገምን ቈረርስ እንጌራን ኣብ ህዝበይ ተርክሳኒ ኣሎኽን። 20ስለዚ ኸኣ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እንሆ ኣነ ነተን ንነፍሳት ከም ኣዕዋፍ እትፍንጥራለን መኸዳታትክን ተሃንዲደየን ኣሎኹ፡ ካብ ቅልጽምክን ድማ ክቐደን፡ ነተን ነፍሳት፡ እወ ነተን ከም ኣዕዋፍ ዝፈንጠርክናአን ነፍሳት ሓራ ኸውጽአን እየ። 21ነቲ መጐልበቢታትክን ድማ ክቐዶ፡ ንህዝበይ ከኣ ካብ ኢድክን ከድሕኖ እየ፡ ከይተፈንጥራኦምውን ኣብ ኢድክን ኣይክዀኑን እዮም እሞ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነ ክትፈልጣ ኢኽን። 22ንልቢ እቲ ጻድቕ፡ ኣነ ኸሕዝኖ ዘይደሌኹስ፡ ንስኻትክን ብሓሶት ስለ ዘሕዘንክናኦ፡ እቲ ረሲእ፡ ካብ መገዲ ረሲኣነት ከይምለስ እሞ ከይድሕንሲ፡ ኣእዳዉ ስለ ዘበርታዕክን፡ 23ስለዚ ከንቱነት ኣይክትርእያን፡ ድሕርዚ ኸኣ ትንቢት ኣይክትንበያን ኢኽን። ንህዝበይውን ካብ ኢድክን ከናግፎ እየ እሞ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጣ ኢኽን።

       ትን. ህዝቅኤል  ምዕራፍ 14            

   1ሓያሎ ኻብቶ ዓበይቲ እስራኤል ከኣ ናባይ መጺኦም፡ ኣብ ቅድመይ ተቐመጡ። 2ከምዚ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ መጸኒ፡ 3ኣታ ወዲ ሰብ፡ ኣዞም ሰባት እዚኣቶም ንጣኦታቶም ኣብ ልቦም ኣሕዲሮምዎም ኣለዉ፡ ነቲ መዓንቀፊ ኣበሳኦም ከኣ ኣብ ቅድሚ ገጾም ኣቝሞምዎ ኣለዉ። ከመይ ኢለ ደኣ በዚኣቶም ክሕተት እየ፡ 4-5ስለዚ ተዛረቦም፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ሓደ እኳ ኻብ ቤት እስራኤል፡ ጣኦታቱ ኣብ ልቡ ዘሕድር፡ ነቲ መዓንቀፊ ኣበሳኡ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ገጹ ዘቕውም፡ ኣብ ነብዩውን ዝመጽእ ዘበለ፡ ዅላቶም ብሰሪ ጣኦታቶም ካባይ ዘምቢሎም እዮም እሞ፡ ንቤት እስራኤል ብልቦም ምእንቲ ኽሕዞምሲ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ከም መጠን ብዝሒ ጣኦታቱ ኽመልሰሉ እየ፡ ይብል ኣሎ፡ ኢልካ ንገሮም። 6ስለዚ ንቤት እስራኤል በሎም፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ተመለሱ፡ ካብ ጣኦታትኩም ተመለሱ፡ ካብ ኵሉ ጽያፍኩም ከኣ ገጽኩም ምለሱ። 7ሓደ እኳ ኻብ ቤት እስራኤል ወይስ ካብቶም ኣብ እስራኤል ዝነብሩ ዘለዉ መጻእተኛታት ካባይ ዝርሕቕ፡ ንጣኦታቱ ኣብ ልቡ ዘሕድር፡ ነቲ መዓንቀፊ ኣበሳኡ ድማ ኣብ ቅድሚ ገጹ ዘቕውም፡ ንኣይ ክሓተሉ ኢሉውን ናብ ነብዪ ዝመጽእ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ባዕለይ ክመልሰሉ እየ 8ነዚ ሰብኣይ እዚ ንምህንዳድ ኣነ ክመልሰሉ፡ ንምልክትን ምሳሌን ከኣ ክገብሮ፡ ካብ ማእከል ህዝበይውን ከጽንቶ እየ፡ ንስኻትኩምውን እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም።
9-11ቤት እስራኤል ህዝበይ ክኾኑ ኣነውን ኣምላኾም ክኸውን እምበር፡ ድሕርዚ ኻባይ ከይዝምብሉ፡ ሕጊ ብምፍራሶም ዘበለ ኵሉኸኣ ከይረኽሱስ፡ እቲ ነብዪ እኳ ተጠቢሩ ቓል እንተ ተዛረበ፡ ነቲ ነብዪ እቲ ኣነ እግዚኣብሄር እየ ዝጠበርክዎ። ኢደይ ናብኡ ኽዝርግሕ እየ እሞ ካብ ማእከል ህዝበይ እስራኤል ከጥፍኦ እየ። በደሎም ድማ ክጾሩ እዮም፡ በደል እቲ ነብዪ ማዕረ በደል እቲ ሓታቲኡ ክኸውን እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
12ከምዚ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ መጸኒ፡ 13ኣታ ወዲ ሰብ፡ ሃገር ኣዝያ ጠሊማ ኣባይ ሓጢኣት እንተ ገበረት፡ ኣነ ኸኣ ኢደይ እንተ ዘርጋሕኩላ፡ ነቲ ምርኩስ እንጌራ ድማ እንተ ሰበርኩላ፡ ጥሜት ከኣ እንተ ሰደድኩላ፡ ሰብን እንስሳንውን እንተ ኣጽነትኩላ፡ 14እዞም ሰለስተ ሰብኣይ፡ ኖህን ዳንኤልን እዮብን፡ ኣብኣ እኳ እንተ ጸንሑ፡ ንሳቶምሲ ብጽድቆም ነታ ነፍሶም ጥራይ ደኣ መናገፍዋ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። 15ብሰሪ እቶም ኣራዊት ሓደ እኳ ብእኣ ምሕላፍ ክሳዕ ዝስእን፡ ምድረ በዳ ገይሮም ክሳዕ ዘጥፍእዋ፡ ኣነ ሕሱማት ኣራዊት ኣብ ማእከል እታ ሃገር ኣንተ ፈኖኹ፡ 16እዞም ሰለስተ ሰብኣይ እኳ ኣብኣ እንተ ጸንሑ፡ ኣነ ህያው እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ንሳቶምሲ ንርእሶም ጥራይ ደኣ ምተናገፉ እምበር፡ ነወዳት ወይስ ነዋልድ ኣይመናገፉን፡ እታ ሃገር ከኣ ምባደመት። 17ወይስ ንሰብን እንስሳን ካብኣ ኸይጸንትሲ፡ ሰይፊ ኣብ ማእከል እታ ሃገር ይሕለፍ፡ ኢለ ንሰይፊ ናብታ ሃገር እንተ ኣምጻኣኩ፡ 18እዞም ሰለስተ ሰብኣይ ኣብኣ እኳ እንተ ጸንሑ፡ ኣነ ህያው እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ንሳቶምሲ ንርእሶም ጥራይ ደኣ ምተናገፉ እምበር፡ ነወዳት ወይስ ነዋልድ ኣይመናገፉን። 19ወይስ ሰብን እንስሳን ካብኣ ኸጽንትሲ፡ ፌራ ናብታ ሃገር ኣቲኣ እንተ ሰደድኩ፡ ቍጥዓይ ከኣ ብደም እንተ ኽዖኹ፡ 20ኖህን ዳንኤልን እዮብን እኳ ኣብኣ እንተ ጸንሑ፡ ንሳቶምሲ ብጽድቆም ንነፍሶም ጥራይ ደኣ መናገፉ እምበር፡ ኣነ ህያው እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ወዲ ወይስ ጓል ኣይመናገፉን።
21ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ሰብን እንስሳን ካብኣ ኸጽንትሲ፡ ነተን ኣርባዕተ ብርቱዓት ፍርደይ፡ ሰይፍን ጥሜትን ሕሱማት ኣራዊትን ፌራን፡ ኣብ የሩሳሌም ምስ ዝሰድድውን፡ 22እንሆ፡ዘውጽእዎም ኣወዳትን ኣዋልድን ገለ ተርፍ ከምልጡ እዮም። እንሆ ኸኣ፡ ንሳቶም ናባኻትኩም ክመጹ እዮም፡ ንብረቶምን ግብሮምን ድማ ክትርእዩ ኢኹም፡ ንስኻትኩምውን በቲ ኣነ ኣብ የሩሳሌም ዘውረድክዎ መዓትን በቲ ዘውረድኩላ ዅሉን ክትጸናንዑ ኢኹም። 23ንብረቶምን ግብሮምን ምስ ርአኹም፡ ንምጽንናዕኩም ክኾኑ ኣዮም። ኵሉ እቲ ዝገበርክዎስ ብዘይ ምኽንያት ከም ዘይገበርክዎ ኽትፈልጡ ኢኹም፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።

       ትን. ህዝቅኤል  ምዕራፍ 15            

   1ከምዚ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ መጸኒ፡ 2ኣታ ወዲ ሰብ፡ ኦም ወይኒ፡ እቲ ኣብ ማእከል ኣእዋም ዱር ዘሎ ሓረግሲ፡ ብምንታይ እዩ ኻብቲ ኻልእ ኣእዋም ዝበልጽ፡ 3ብእኡ ስራሕ ክገብሩስ፡ ካብኡዶ ዕጨይቲ ይወስዱ እዮም፡ኣቕሓ ኽሰቕሉሉስ፡ጸዋሪትከ ኻብኡዶ ይወስዱ እዮም፧ 4እንሆ፡ ሞዅ ክብል ኣብ ሓዊ ይድርበ፡ እቲ ሓዊ ኸኣ ንኽልቲኡ ጨንፈሩ ይበልዖ፡ እቲ ማእከሉውን ይሓርር፡ ንገለ ስራሕዶ ይጠቅም እዩ፡ 5እንሆ፡ ብደሓኑ ኸሎ እኳ ንስራሕ ዘይጠቐመስ፡ ሓዊ ምስ በልዖን ምስ ኣሕረሮን ግዳ ኸመይ ኢሉ ገለ ስራሕ ክግበሮ ይከኣል፡ 6ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ከምቲ ኣብ ማእከል ኣእዋም ዱር ብሓዊ ሞዅ ክብል ዝወፌኽዎ ኦም ወይኒ፡ ነቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነብሩ ኸኣ ከምኡ ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ። 7ንምጽራሮም ገጸይ ናባታቶም ክመልስ እየ፡ ካብ ሓዊ ወጹ፡ ግናኸ ሓዊ ኽበልዖም ኣዩ። ንምጽራሮም ገጸይ ናባታቶም ክመልስ ከሎኹ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም። 8ስለ ዝጠለሙ ነታ ሃገር ከባድማ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።

       ትን. ህዝቅኤል  ምዕራፍ 16            

   1ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መጸ በለኒውን፡ 2ኣታ ወዲ ሰብ፡ ንየሩሳሌም ጽያፋ ኣፍልጣ፡ 3እግዚኣብሄር ኣምላኽ ንየሩሳሌም ከምዚ ይብላ ኣሎ፡ ኢልካውን በላ፡ ሱርክን ወለዶኽን ካብ ሃገር ከንኣናውያን እዩ፡ ኣቦኺ ኣሞራዊ እዩ፡ ኣዴኺ ኸኣ ሔታዊት እያ 4ብናይ ምውላድክስ፡ በታ እተወለድክላ መዓልቲ እትቢ ሕምብርትኺ ኣይተኣትበን፡ ምእንቲ ኽትጸርይስ ብማይ ኣይተሓጸብክን፡ ብጨው ኣይተቐባእክን፡ ኣይተጠቕለልክንውን። 5በታ እተወለድክላ መዓልትስ ነፍስኺ ስለ እተናዕቀ፡ ኣብቲ ጋህ ዝበለ መሮር ደኣ ተደርቤኺ። ሓደ ግዛዕ ካብዚ ኽግብረልኪ ኢሉ ራሕሪሑ ብለውሃቱ ቍሊሕ ዝበለኪ ዓይኒ የልቦን። 6ብኣኺ ሓለፍኩ፡ ኣብ ደምኪ ጠንቀላዕላዕል ክትብሊ ኸሎኺ ኸኣ ርአኹኺ እሞ፡ ኣቲ ኣብ ደምኪ ዘሎኺ፡ ብህይወት ንበሪ፡ በልኩኺ። እወ ኣብ ደምኪ ዘሎኺ ብህይወት ንበሪ፡ በልኩኺ። 7ከም ብቝሊ ግራሁ ኣኣላፋት ገይረ ኣብዛሕኩኺ። ንስኺ ድማ ዘለግ በልኪ፡ ዓቤኺ፡ ኣዚኺ ኸኣ መልካዕኪ፡ ኣጥባት ገበርኪ፡ ጸጕርኽውን በቘለ፡ ግናኸ ንስኽስ ጥራይክን ዕርቕትን ነበርኪ። 8ብኣኺ ሓሊፈ ርአኹኺ፡ እንሆ፡ ኸኣ፡ግዜኺ፡ እቲ ጽቡቕ ፍትወት ነበረ። ዘፈር ክዳነይ ኣብ ልዕሌኺ ዘርጊሐ፡ ዕርቃንኪ ኸወልኩ። መሓልኩልኪ፡ኪዳን ኣቶኹልኪ፡ ናተይውን ኰንኪ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። 9ብማይ ሓጸብኩኺ፡ ካብ ደምኪ ኣጽሬኹኺ፡ ብዘይቲ ድማ ቀባእኩኺ። 10ብወርቀዘቦ እተጠልፈ ኸደንኩኺ፡ ብቘርበት የባራረብ ሳእኒ ቐጻዕኩልኪ፡ ብሻሽ ኣዕጠቕኩኺ፡ ብሃሪውን ከደንኩኺ። 11ብስልማት ሰለምኩኺ፡ ኣብ ቀላጽምኪ ኣምባር፡ ኣብ ክሳድኪ ኸኣ ሕንጥልጥል ኣሰርኩልኪ። 12ቀለቤት ኣብ ኣፍንጫኺ፡ ኵትሻ ኣብ ኣእዛንኪ፡ ዘውዲ ግርማ ድማ ኣብ ርእስኺ ገበርኩልኪ። 13በዚ ኸምዚ ብወርቅን ብሩርን ተሰለምኪ፡ ሻሽን ሃርን መርግፍን ተወንዘፍኪ፡ ኵእኩእ ስርናይን መዓርን ዘይትን በላዕኪ። ኣዚኺ መልካዕኪ፡ ክሳዕ ንግስቲ ምዃን ከኣ በጻሕኪ። 14በቲ ኣነ ዝሰለሙክኺ ግርማ እቲ መልክዕኪ ፍጹም ኰይኑ እዩ እሞ፡ ብምኽንያቱ ወሬኺ ኣብ ማእከል ህዝብታት ወጸ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
15ንስኺ ግና ብመልክዕኪ ተኣመንኪ፡ ስለ ናእዳ ስምኪ ኢልኪ ኣመንዘርኪ፡ ንማንም ሓላፍ መገዲ ንእኡ ኽትኰኒ፡ ምንዝርናኺ ኣቕረብክሉ። 16ካብ ክዳውንትኺ ወሲድኪ፡ ውሩዕ በረኽቲ ስፍራ ሰራሕኪ እሞ ኣብኡ ኣመንዘርኪ። ከምዚ ዝበለስ ኣይተገብረን ኣይክግበርን ከኣ እዩ። 17እቲ ኣነ ዝሃብኩኺ ጽቡቕ ስልማትኪ ወርቀይን ብሩረይን ኣልዓልኪ፡ምስልታት ሰብኣይ ንኣኺ ገበርኪ፡ ምሳታቶም ድማ ኣመንዘርኪ። 18ክዳን ወርቀ ዘቦኺ ኣልዒልኪ ከደንክዮም፡ ዘይተይን ዕጣነይን ከኣ ኣብ ቅድሚኦም ኣቕረብኪ። 19ነቲ ኣነ ዝሃብኩኺ እንጌራይ፡ እቲ ብእኡ ዝምግበኪ ዘነበርኩ ዅእኩእ ሓርጭ ስርናይን ዘይትን መዓርን ንመኣዛ ሽታ ኣብ ቅድሚኦም ቀረብክዮ። እዚ ተገይሩ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ ። 20-21ነቶም ንኣይ ዝወለድክዮም ኣወዳትክን ኣዋልድክን ከኣ ምእንቲ ኽውሕጥዎም፡ ኣልዒልኪ ሰዊእክዮም። ንደቀይ ሓሪድኪ፡ ብሓዊ ኣሕሊፍኪ ዝወፌኽዮምሲ፡ እዚ ምንዝርናኽዶ ውሒዱኪ እዩ፡ 22ኣብ ኵሉ ጽያፍክን ምንዝርናኽን ከሎኺ፡ ነቲ ጥራይክን ዕርቕትን ኴንኪ ኣብ ደምኪ ጠንቀላዕላዕ እትብልሉ ዝነበርኪ ዘመን ንእስነትኪ ኣይዘከርክን። 23ድሕሪ ዅሉ ግዜ ኽፍኣትኪ፡ ወይለኺ፡ — ወይለኺ፡ ይብል ኣሎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ — 24ንስኺ ልዕል ዝበለ ስፍራ፡ ብዅሉ መተሓላለፍ መገዲውን በሪኽ ስፍራ ሰራሕኪ። 25ኣብ ኵሉ ወሰን መገዲ ክብ ዝበለ ስፍራ ገበርኪ፡ ንመልክዕኪ ኣፈንፈንክዮ፡ ንዅሉ ሓላፍ መገዲ ድማ ኣእጋርኪ ኣርአኺ፡ ምንዝርናኺውን ኣብዛሕኪ። 26ምስቶም ስጋኦም ዝገዝፍ ጐረባብትኺ ግብጻውያን ዘሞኺ፡ ኵራይ ንምልዕዓል ከኣ ዝሙትኪ ኣብዛሕኪ። 27ስለዚ እንሆ፡ ኢደይ ኣብ ልዕሌኺ ዘርጋሕኩ፡ ንመግብኺ ኸኣ ኣጕደልክዎ፡ ንፍቓድ እተን ዝጸልኣኺ፡ በቲ ርኹስ መገድኺ ዝሓፍራ ዘለዋ ኣዋልድ ፍልስጥኤማውያን ወፌኹኺ። 28ኣይጸገብክን እሞ፡ ምስ ደቂ ኣሶራውያን ዘሞኺ። ምሳታቶም ድማ ዘሞኺ፡ ኣይጸገብክን ከኣ። 29ምስናይ እዚ ኸኣ ዝሙትኪ ናብ ምድሪ ኸንኣን ክሳዕ ምድሪ ከለዳውያን ኣብዛሕኪ ግናኸ በዚውን ኣይጸገብክን። 30-31ኵሉ እዚ ግብሪ እታ ዘይትሓፍር ኣመንዝራ እትገብሪ ኣብ ኵሉ ወሰን መገድታት ልዕል ዝበለ ስፍራ፡ኣብ መተሓላለፍ መግዲውን በሪኽ ስፍራ እትሰርሒ፡ ዋጋ ስለ ዝነዓቕኪ ኸም ካልኦት ኣመናዝር ኣይነበርክን፡ ከመይ ዝበለ ብልሽዊ ዀን እዩ እቲ ልብኺ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። 32ኣብ ክንዲ ሰብኣያ ጓኖት እተእቱ ዘማዊት ሰበይቲ ዀንኪ። 33ንዅለን ኣመናዝር ህያባት ይወሃበን፡ ንስኺ ግና ንዅሎም ፈተውትኺ ህያባት ሃብክዮም። ካብ ኵሉ ወገን መጺኦም ምሳኺ ኽዝምዉ ብህያብ ሓባበልክዮም። 34ንምምንዛር ዝስዕበኪ ዜይብልክስ፡ በቲ ምምንዛርኪ ኻልኦት ኣንስቲ ዘይገበራኦ ገበርኪ። ንስኺ ኣብ ክንዲ ናይ ምንዝርናኺ ህያብ ምቕባልሲ፡ ምእንቲ ኸተምንዝሪ ህያብ ሃብኪ፡ ኻልኦት ዘይገበራኦ ገበርኪ።
35ስለዚ፡ ኣቲ ዘማዊት፡ ቃል እግዚኣብሄር ስምዒ፡ 36እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ብምንዝርናኺ ምስ ፈተውትኺ ርኽሰትኪ ስለ እተኻዕወ፡ ነውርኺ ኸኣ ስለ እተቐልዐ፡ ብሰሪ ዅሎም እቶም ፍንፉናት ጣኦታትክን፡ ብሰሪ እቶም ንኣታቶም ዝወፌኽዮም ደቅኽን፡ 37ስለዚ እንሆ፡ ንዅሎም እቶም ባህ ዘበሉኺ ፈተውትኽን፡ ንዅሎም እቶም ዝፈቶኽዮምን ንዅሎም እቶም ዝጸላእክዮምን ክእክቦም እየ። ካብ ኵሉ ወገን ንምጽራርኪ ኽእክቦም እየ፡ ኵሉ ዕርቃንኪ ማንቲ ኽራዩ፡ ንዕርቃንኪ ኣብ ቅድሚኦም ክቐልዖ እየ። 38ኣነውን ከምቲ ዘመውትን መፍሰስቲ ደምን እተፈርዳሉ ገይረ ኽፈርደኪ፡ ናይ ነድርን ናይ ቅናኣትን ደም ከውርደልኪ እየ። 39ኣብ ኢዶም ኣሕሊፈ ኽህበኪ እየ፡ ንሳቶም ከኣ ነቲ ልዕል ዝበለ ስፍራኺ ኸፍርሱ፡ በረኽቲ ስፍራኺ ድማ ኪፍንጥሱ፡ ክዳውንትኺ ኽገፉ፡ ጽቡቕ ስልማትኪ ክቕንጥጡ፡ ጥራይክን ዕርቕትን ገይሮም ክሓድጉኺ እዮም። 40ብዙሕ ሰብ ናባኺ ኸውጽኡ እዮም ንሳቶም ከኣ ብዳርባ እምኒ ክቐትሉኺ፡ ብሰይፎም ድማ ክቘራርጹኺ እዮም። 41ነባይትኺ ብሓዊ ኸንድዱ፡ ኣብ ቅድሚ ብዙሓት ኣንስቲ ኸኣ ክፈርዱኺ እዮም፡ ኣነውን ምንዝርናኺ ኸሕድገኪ እየ፡ መሊስኪ ድማ ዋጋ ኣይክትህብን ኢኺ። 42በዚ ኸምዚ ሃና ነድረይ ክወጸልኪ፡ ቅንኣተይ ከኣ ክርሕቀልኪ እዩ፡ ክሃድእ ብድሕርዚውን ኣይክዅርን እየ። 43ዘመን ንእስነትኪ ኣይዘከርክን፡ ብዅሉ እዚ ነገር እዚ ኸኣ ኣዀሪኽኒ ኢኺ እሞ፡ እንሆ፡ ኣነውን፡ ኣብ ልዕሊ ኵሉ ጽያፍኪ እዚ ነውሪ እዚ ኸይትውስኽስ፡ መገድኺ ኣብ ርእስኺ ኽመልሶ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
44እንሆ፡ እቶም ዝምስሉ ኵላቶም፡ ከምታ ኣደ ኸምኡውን እታ ጓላ፡ ኢሎም ብኣኺ ኽምስሉ እዮም። 45ንስኺ ጓል እታ ንሰብኣያን ደቃን ዝጸልአት ኣዴኺ ኢኺ። ንስኺ ሓብቲ እተን ንሰብኡተንን ደቀንን ዝጸልኣ ኣሓትኪ ኢኺ። ኣዴኺ ሔታዊት፡ ኣቦኺ ኸኣ ኣሞራዊ ነበሩ። 46እታ ምስ ኣዋልዳ ኣብ ጸጋምኪ ዘላ ዓባይ ሓብትኺ ሰማርያ እያ፡ እታ ምስ ኣዋልዳ ኣብ የማንኪ ዘላ ንእሽቶ ሓብትኺ ኸኣ ሶዶም እያ። 47ንስኺ ግና ብመገደን ኣይከድክን፡ ከምቲ ፍንፉን ነገረን ከኣ ኣይገበርክን። እዚ ቐሊሉክስ፡ ብዅሉ መገድኺ ደኣ ኻብአን ገደድኪ። 48ኣነ ህያው እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ሶዶም ሓብትኺ ንሳን ኣዋልዳን፡ ከምቲ ንስኽን ደቅኽን ዝገበርክናኦ ኣይገበራን። 49እንሆ፡ እቲ ኣበሳ ሶዶም ሓብትኺ እዚ ነበረ፡ ትዕቢትን ጽጋብ እንጌራን ትህኪትን ኣብኣን ኣብ ኣዋልዳን ነበረ፡ ግናኸ ኢድ እቲ ጭኑቕን ድኻን ኣይደገፈትን። 50ዕቡያት ነበራ፡ ኣብ ቅድመይ ከኣ ፍንፉን ነገር ገበራ፡ እዚ ምስ ርኣኹ ድማ ኣጥፋእክወን። 51ሰማርያስ ፍርቂ ሓጢኣትኪ እኳ ኣይገበረትን። ንስኺ ግና ጽያፍኪ ኻብአን ኣብዛሕኪ፡ ብኵሉ እቲ ዝገበርክዮ ጽያፍኪውን ነሓትኪ ኣጽደቕክየን። 52ንስኺ ኸኣ ነቲ ነሓትኪ ዝፈረድክሉ ነውሪ ተሰካሚ። በቲ ኻብአን ዝረክስ ዝገበርክዮ ሓጢኣትኪ ንሳተን ካባኺ ይጸድቃ። ነሓትኪ ኣጽዲቕክየን ኢኺ እሞ፡ ሕፈሪ ነውርኽውን ጹሪ።
53-54ነውርኺ ኽትጾሪ፡ በቲ ዝገበርክዮ ዅሉ ኸኣ ክትሓፍሪ፡ በዚ ኸምዚ ድማ ከተጸናንዕየንሲ፡ ምርኮአን፡ ምርኮ ሶዶምን ኣዋልዳን፡ ምርኮ ሰማርያን ኣዋልዳን፡ ምርኮ እቶም ኣብ ማእከለን ዘለዉ ምሩኻትኪ ኽመልስ እየ። 55ኣሓትኪ ሶዶምን ኣዋልዳን ናብቲ ናይ ቀደም ሃለዋተን ክምለሳ እየን፡ ሰማርያን ኣዋልዳን ናብቲ ናይ ቀደም ሃለዋተን ክምለሳ እየን፡ ንስኽን ኣዋልድክን ድማ ናብቲ ናይ ቀደም ሃለዋትክን ክትምለሳ ኢኽን። 56-57ከምቲ በዋልድ ሶርያን ኣብ ከባቢኣ ዘለዉ ዅሎምን፡ በተን ኣብ ኵሉ ወገን ዘነውራኺ ዝነበራ ኣዋልድ ፍልስጥኤማውያንን እተጸረፍክሉ ግዜ፡ ክፍኣትኪ ኸይተቐልዐ ኸሎ፡ በቲ መዓልቲ ዅርዓትኪ እታ ሓብትኺ ሶዶም ብኣፍኪ እኳ ኣይተረቝሐትን። 58-59እግዚኣብሄር ኣምላኽሲ ኪዳን ብምፍራስኪ ማሕላ ዝነዓቕኪ ኢኺ፡ ኣነውን ከምቲ ዝገበርክዮ ኽገብረኪ እየ፡ ይብል ኣሎ እሞ፡ ምንዝርናኽን ጽያፍክን ትጾሪ ኣሎኺ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
60ኣነ ግና ነቲ ብዘመን ንእስነትኪ ምሳኺ ዝኣተኽዎ ኪዳን ክዝክሮ እየ፡ ዘለኣለማዊ ኪዳን ከኣ ከጽንዓልኪ እየ። 61ነሓትኪ፡ ነተን ካባኺ ዝዓብያን ዝንእሳን ኣሓትኪ፡ ክትቅበልየን ከሎኺ፡ ብኪዳንኪ ዘይኰነስ፡ ኣዋልድኪ ክዀና ኽህበኪ ኸሎኹ፡ ሽዑ መገድኺ ኽትዝክርን ክትሓፍርን ኢኺ። 62-63ኵሉ እቲ ዝገበርክዮ ይቕረ ምስ በልኩልኪ፡ ንእኡ ዘኪርኪ ኽትሓንኪ፡ ካብ ሕንኪ እተላዕለ ኣፍኪ ኸቶ ኸይትኸፍትስ፡ ኪዳነይ ኸጽንዓልኪ እየ፡ ንስኽውን እግዚኣብሄር ምኳነይ ክትፈልጢ ኢኺ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።

       ትን. ህዝቅኤል  ምዕራፍ 17            

   1ከምዚ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መጸ፡ 2ኣታ ወዲ ሰብ፡ ንቤት እስራኤል ሕንቅሕንቅሊቶይ ንገሮም፡ ምስላውን መስለሎም። 3እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኢልካውን ተዛረብ፡ ገዚፍ ዘኽናፉ፡ ነዊሕ ዝመንገብገቡ፡ ዓንጥዓንጦራይ ክንቲት ዝመልኦ ዓብዪ ንስሪ ኣብ ሊባኖስ መጸ እሞ ርእሲ ጨንፈር እታ ኦም ጽሕዲ ወሰደ። 4ነቲ ርእሲ ጨንፈራ ሰልዖ፡ ናብ ሃገር ነግዲ ወሰዶ፡ ኣብ ከተማ ነጋዶ ኸኣ ኣንበሮ። 5ካብታ ሃገር ድማ ጫለዳ ወሰደ፡ ኣብ ፍርያም ግራት ከኣ ተኸላ፡ ኣብ ጥቓ ብዙሕ ማይ ድማ ከም ዕቦል ገይሩ ስፍራ ኣትሓዛ። 6ንሳ ዓበየት፡ ጨንፍራ ናብኡ ዘበለ፡ ሱራ ኸኣ ኣብ ትሕቲኡ ዝዀነ ሰፊሕ ዝሓረጋ፡ ሓጺር ዝጕንዳ ኦም ወይኒ ዀነት። በዚ ኸምዚ ጨንፈር እትጭንፍርን፡ ጠጥዒ እትጥጥዕን ኦም ወይኒ ዀነት። 7ገዚፍ ዝኽንፉ፡ ብዙሕ ዝኽንቲቱ ኻልእ ዓብዪ ንስሪ ነበረ። እንሃ ኸኣ፡ እዛ ኦም ወይኒ እዚኣ፡ ንሱ ማይ ከስትያ ኢላ፡ ካብቲ እተተኽለቶ ቦታ ናብኡ ኣቢላ ሱራ ዘርግሐት፡ ሓረጋ ድማ ናብኡ ኣቢላ ኣውፈረት። 8ጨናፍር ምእንቲ ኸተውጽእ፡ ፍረ ኸተፍሪ፡ ክብርቲ ኦም ወይኒውን ክትከውንሲ፡ ኣብ ጽቡቕ ግራት ኣብ ጥቓ ብዙሕ ማይ ተተኺላ ነበረት። 9በል ድማ፡ ክትልምዕዶ እያ፧ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። ምእንቲ ኽትነቅጽሲ ሱራዶ ኣይክምንቈስን፡ ፍሪኣኸ ኣይክቑረጽን እዩ፧ እቲ ኻብኣ ዝጨብጨበ ዅሉ ቘጽልስ ኣይክነቅጽንድዩ፧ሱራ ንምምንቋስ ሓያል ቅልጽምን ብዙሕ ህዝብን ኣየድልን እዩ። 10እንሆ፡ ምትካልሲ ተተኺላ ኣላ፡ ክትልምዕዶ እሞ እያ፧ ንፋስ ምብራቕ ምስ ተንከያስ፡ሓሸውሸው ኢላዶ ኣይክትነቅጽን እያ፧ኣብታ ዝበቘለትላ ቦታ ኽትነቅጽእያ።
11ከምዚ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ከኣ መጸኒ፡ 12እምብኣርሲ ነቲ ተጻራሪ ቤት፡ እዚ እንታይ ማለት ምዃኑዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ በሎም። ንገሮም ከኣ፡ እንሆ፡እቲ ንጉስ ባቢሎን ናብ የሩሳሌም መጸ፡ ንንጉሳን መሳፍንታን ሒዙ ናብኡ ናብ ባቢሎን ማረኾም። 13-14እታ መንግስቲ ኽትሓምቕ እሞ ከይትትንስእ፡ ብምሕላው ኪዳና ኸኣ ምእንቲ ኽትቀውምሲ፡ ካብ ዘርኢ ቤት መንግስቲ ወሲዱ ምስኡ ኪዳን ኣተወ ማሕላ ድማ ኣምሓሎ። ነቶም ኣውራታት እታ ሃገርን ምስኡ ወሰዶም። 15ግናኸ ንሱ ኻብኡ ዓለወ፡ ኣፍራስን ብዙሕ ህዝብን ክህብዎ ልኡኻት ናብ ግብጺ ሰደደ። ክሰልጦዶ እሞ እዩ፡ከምዚ ዝበለ ዝገብርሲ ኸምልጥዶ እዩ፧ ጠላም ኪዳንከ የምልጥዶ እዩ፧ 16ኣነ ህያው እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ኣብታ እቲ ንእኡ ዘንገሶ ዝነብረላ ዘሎ ቦታ፡ ናብቲ ማሕላኡ ዝጠለመሉ፡ ኪዳን ዘፍረሰሉ ንጉስ፡ ምስኡ ኸይኑ፡ ኣብ ማእከል ባቢሎን ኣብኣ ኽመውት እዩ። 17ብዙሕ ሰብ ኪቐትሉ ኢሎም ዕርዲ ኽዓርዱን ግምቢ ኽሰርሑን ከለዉ፡ ፈርኦን ከኣ ምስቲ ብርቱዕ ሰራዊቱን ብዙሕ ህዝብን ኰይኑ ኣብ ውግእ ኣይክረድኦን እዩ። 18ነቲ ኪዳን ብምፍራሱ ማሕላ ንዒቑ፡ ኢድ ጠቒዑስ እዚ ዅሉ ገይሩ እዩ እሞ፡ ኣይከምልጥን እዩ። 19ስለዚ፡ ኣነ ህያው እየ፡ እቲ ዝነዓቖ ማሕላውን እቲ ዘፍረሶ ኪዳነይን ብርግጽ ናብ ርእሱ ኸውርደሉ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። 20መርበበይ ክዝርግሓሉ እየ፡ ብመፈንጠራይ ከኣ ክተሓዝ እዩ፡ ናብ ባቢሎን ድማ ክወስዶ፡ ኣብኡውን በቲ ንኣይ ዝዓመጸሉ ዓመጻ ምስኡ ናብ ፍርዲ ኽኣቱ እየ። 21ኵሎም ህዱማቱ ምስ ኵሎም ጭፍራኡ ብሰይፊ ኽወድቁ፡ እዮም ዝተረፉ ኸኣ ኣብ ኵሉ ንፋሳት ክዝረዉ እዮም። ኣነ እግዚኣብሄር ከም እተዛረብኩ ድማ ክትፈልጡ ኢኹም።
22እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኣነ ኸኣ ካብር ርእሲ እቲ ነዊሕ ጽሕዲ ወሲደ ኸንብሮ እየ። ካብቲ ላዕላይ ጠጥዒ ሓንቲ ለውለው እትብል ሰሊዐ፡ ኣብ ክብ ዝበለ በሪኽ ከረን ክተኽላ እየ። 23ኣብቲ በሪኽ ከረን እስራኤል ክተኽላ እየ። ክትጭንፍርን ክትፈርን፡ ግሩም ዝዀነት ጽሕዲውን ክትከውን እያ። ኵለን ኣዕዋፍን ክንፊ ዘለወን ዘበላን ኣብ ትሕቲኣ ኽነብራ፡ ኣብ ትሕቲ ጽላል ጨናግራ ክነብራ እየን። 24ኵለን ኣእዋም መሮር ከኣ ነታ ነዋሕ ኦም ለጠቕ ዘበልኩ፡ ነታ ልምዕቲ ኦም ዘንቀጽኩ፡ ነታ ንቕጽቲ ኦም ከኣ ዘጠጠዕኩ ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝዀንኩ ኽፈልጣ እየን። ኣነ እግዚኣብሄር ተዛሪበ ኣሎኹ፡ ክገብሮ ድማ እየ።

       ትን. ህዝቅኤል  ምዕራፍ 18            

   1ከምዚ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ መጸኒ፡ 2ስለምንታይ ኢኹም ኣብ ሃገር እስራኤል እዚ ምስላ እዚ፡ ኣቦታት መጺጽ ዘቢብ በልዑ እሞ ነስናን እቶም ውሉድ ኰኸወ፡ ኢልኩም እትምስሉ፡ 3ኣነ ህያው እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። እዚ ምስላ እዝስ ድሕርዚ ኣብ እስራኤል ኣይክትምስልዎን ኢኹም። 4እንሆ፡ ኵለን ነፍሳት ናተይ እየን፡ ከምታ ነፍሲ እቲ ወላዲ ኸምኡውን ነፍሲ እቲ ውሉድ ናተይ እያ። እታ ሓጢኣት እትገብር ነፍሲ ንሳ ኽትመውት እያ።
5ጻድቕ ሰብ እንተሎ፡ ቅንዕናን ጽድቅን ከኣ እንተ ገበረ፡ 6ኣብ ኣኽራን እንተ ዘይበልዐ፡ ኣዒንቱ ድማ ናብቶም ጣኦታት ቤት እስራኤል ቍሊሕ እንተ ዘይበላ፡ ሰበይቲ ብጻዩ እንተ ዘየራኸሰ፡ ኣብ ሰበይቲ ኸኣ ብጻግኒኣ እንተ ዘይቀረበ፡ 7ንሓደ እኳ እንተ ኣይገፍዐ፡ ንብዓል ዕዳ ታሕዚ እንተ መለሰሉ፡ ንሓደ እኳ እንተ ዘይዓመጸ፡ እንጌራኡ ንጥሙት እንተ ሃበ፡ ንዕሩቕ ከኣ ክዳን እንተ ኸደነ፡ 8እንተ ዘየኻዕበተን እንተ ዘየሕረጠን፡ ኢዱ ካብ ዓመጽ እንተ ኸልከለ፡ ኣብ መንጎ ሰባት ከኣ ቅንዕና እንተ ፈረደ፡ 9ብሕጋጋተይ እንተ ተመላለሰ፡ ጽድቂ እናገበረ ፍርደይ እንተ ሓለወ፡ ንሱ ጻድቕ እዩ፡ ብርግጽ ብህይወት ክነብር እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
10ግናኸ ንሱ ዓምጺ፡ ከዓው ደም፡ ካብዚ ነገር እዚ ኸኣ ሃደ ግዛዕ ዝገብር ውሉድ እንተ ወለደ፡ 11እዚ ዅሉ ዘይገብር፡ ኣብ ኣኽራን ዝበልዕ፡ ሰበይቲ ብጻዩ ዘርክስ፡ 12ንነዳይ ንድኻን ዝገፍዕ፡ መንዚዑ ዝወስድ፡ ታሕዚ ዘይመልስ፡ ኣዒንቱ ናብ ጣኦታት ዝቘላሕታአን፡ ፍንፉን ነገር ዝገብር፡ 13ዘኻዕብትን ዘሕርጥንሲ፡ ንሱዶ ብህይወት ክነብር እዩ፡ ያእ፡ ንሱ ኣይክነብርን እዩ።እዚ ኹሉ ፍንፉን ነገር እዚ ገይሩ እዩ እሞ፡ ሞት ክመውት ደሙ ኸኣ ኣብ ርእሱ ከኸውን እዩ።
14እንሆ ኸኣ፡ ንሱ ውሉድ እንተ ወለደ፡ እሞ ኣቦኡ ዝገበሮ ኵሉ ሓጢኣት ዝርእን ዝፈርህን ከምኡ ዝበለውን ዘይገብር፡ 15ኣብ ኣኽራን ዘይበልዕ፡ ኣዒንቱ ድማ ናብ ጣኦታት ቤት እስራኤል ቍሊሕ ዘየብል፡ ሰበይቲ ብጻዩ ዘየርክስ፡ 16ንሓደ እኳ ዘይገፍዕ፡ ታሕዚ ዘይሕዝ፡ መንዚዑ ዘይወስድ፡ እንጌራኡ ንጥሙይ ዘብልዕ፡ ንዕሩቕውን ክዳን ዝኸድን፡ 17ንድኻ ኸይገፍዕ ኢዱ ዝመልስ፡ ሓረጣን ካዕበትን ዘይወስድ፡ ፍርደይ ዝገብር፡ ብሕገይ ዝመላለስ፡ ንሱ ብህይወት ክነብር እዩ እምበር፡ ብሰሪ ኣበሳ ኣቦኡ ኣይክመውትን እዩ። 18ኣቦኡ ዓመጸኛ ስለ ዝነበረ፡ ንሓዉ መንዚዑ ስለ ዝጐድአ፡ ኣብ ማእከል ህዝቡ ኸኣ ሰናይ ዘይኰነ ስለ ዝገበረ፡ እንሆ፡ ብኣበሳኡ ኽመውት እዩ።
19ንስኻትኩምሲ፡ ስለምንታይ እዩ እቲ ወድስ ኣበሳ ኣቦኡ ዘይጸውር፡ትብሉ ኣሎኹም፡እቲወዲ፡ ቅንዕናን ጽድቅን ገይሩ ንዅሉ ሕጋጋተይ ሓልይዎን ገይርዎን እዩ እሞ፡ ብርግጽ ብህይወት ክነብር እዩ። 20እታ ሓጢኣት እትገብር ነፍሲ እያ እትመውት። ውሉድ ኣበሳ ወላዲኡ ኣይክጸውርን እዩ። ጽድቂ እቲ ጻድቕ ኣብ ርእሱ ክኸውን እዩ። 21ግናኸ እቲ ረሲእ ካብቲ ዝገበሮ ዅሉ ሓጢኣት እንተ ተመለሰ፡፡ኵሉ ሕጋጋተይ ከኣ እንተ ሓለወ፡ ቅንዕናን ጽድቅን ድማ እንተ ገበረ፡ ንሱ ብርግጽ ብህይወት ክነብር፡ ኣይክመውትን ከኣ እዩ። 22ካብቲ ዝገሃሶ ምግሃስሲ ሓንቲ እኳ ኣይክትዝከረሉን፡ በቲ ዝገበሮ ጽድቂ ብህይወት ክነብር እዩ። 23ንሞት ረሲእዶ እፈቱ እየ፧ ፍታወይሲ ካብ መገዱ ኽምለስ፡ ብህይወት ከኣ ክነብርዶ ግዳ ኣይኰነን፧ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። 24እቲ ጻድቕከ ኻብ ጽድቁ እንተ ተመልሰ፡ እንተ ኣበሰ እሞ ከምቲ ረሲእ ዝገብሮ ኹሉ ፍንፉን ነገር እንተ ገበረስ፡ ብህይወትዶ ኽነብር እዩ፡ካብቲ ዝገበሮ ጽድቂ ሓንቲ እኳ ኣይክትዝከርን እያ። በቲ ዝጠለሞ ጥልመትን በቲ ዝገበሮ ሓጢኣትን ክመውት እዩ።
25ንስኻትኩም ግና፡ መገዲ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ኣይኰነን፡ ትብሉ ኣሎኹም። እምብኣርሲ፡ ኣቱም ቤት እስራኤል፡ ስምዑ፡ ካንዶ መገደይ እዩ ዘይቅኑዕ፡ ዘይቅኑዕሲ መገድታትኩምዶ ግዳ ኣይኰነን፧ 26ጻድቕ ካብ ጽድቁ እንተ ተመልሰ እሞ፡ እንተ ኣበሰ ብእኡ ኸኣ እንተ ሞተ፡ ብሰሪ እቲ ዝገበሮ ኣበሳኡ እዩ ዝመውት። 27ግናኸ እቲ ረሲእ ካብቲ ዝገበሮ ረሲእነቱ እንተ ተመልሰ፡ ቅንዕናን ጽድቅን ከኣ እንተ ገበረ፡ ንሱ ንነፍሱ ብህይወት ከንብራ እዩ። 28ካብ ኵሉ እቲ ዝገበሮ ግህሰቱ ኣስተንቲኑ ስለ እተመልሰ፡ ንሱ ርግጽ ብህይወት ክነብር፡ ኣይክመውትን እዩ። 29ግናኸ ቤት እስራኤልሲ፡ መገዲ እግዚኣብሄር ኣይቅኑዕን እዩ፡ይብሉ ኣለዉ። ኣቱም ቤት እስራኤል፡ ካንዶ መገድታተይ እዩ ዘይቅኑዕ፡ዘይቅኑዕሲ መገድታትኩምዶ ግዳ ኣይኰነን፧ 30ስለዚ፡ ኣቱም ቤት እስራኤል፡ ንነፍሲ ወከፍ ከከም መገድኹም ክፈርደኩም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። ተመለሱ፡ ኣበሳኹም መዓንቀፊ ኸይኰነኩምሲ፡ ካብ ኵሉ ግህሰትኩም ተመለሱ። 31ነቲ ዝገሃስኩምዎ ግህሰት ካባኹም ደርብዩ፡ ሓድሽ ልብን ሓድሽ መንፈስን ድማ ግበሩ። ኣቱም ቤት እስራኤል፡ ስለምንታይ እትሞቱ፡ 32ኣነስ ሞት ሓደ እኳ ኣይፈቱን እየ እሞ፡ ተመለሱ ብህይወት ከኣ ንበሩ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።

       ትን. ህዝቅኤል  ምዕራፍ 19            

     1ንስኻ ኸኣ ንመሳፍንቲ እስራኤል መልቀስ ኣልቅሰሎም፡ በል ድማ፡

2ከመይ ኰን ኣዴኻ ኣንስተይቲ ኣንበሳ ነበረት።

ኣብ ማእከል ኣናብስ ተጋደመት፡

ኣብ ማከል ሸደናት ኣናብስ ንዀራኵራ ኣዕበየት።

3ሓደ ካብቶም ኰራኵራ ኣዕበየት፡

ሽደን ኣንበሳ ኸኣ ዀነ፡

ምምንጣል ግዳይ ተማህረ፡ ሰብውን በልዐ።

4ህዝብታት ብዛኦባኡ ሰምዑ፡

ኣብ ጕድጓዶም ከኣ ተታሕዘ፡

ሳንቀ ኣፍንጫ ገይሮም ናብ ሃገር ግብጺ ወሰድዎ።

5ትጽቢታ ኸንቱ ምዃኑ ምስ ረኣየት፡

ተስፋ ኸኣ ምስ ቀበጸት፡

ካብ ኰራኵራ ሓደ ኻልእ ወሰደት፡

ሽደን ኣንበሳውን ገበረት።

6ኣብ ማእከል ኣናብስ ተመላለሰ፡

ሽደን ኣንበሳ ኸኣ ዀነ፡

ምምንጣል ግዳይ ተማህረ፡ ሰብውን በልዐ።

7ኣዳራሻቶም ገሰሰ፡

ከተማታቶም ኣዕነወ።

እር ኢሉ ምስ ጓዘመ፡

ምድርን ኣብኣ ዘሎ ዅሉን ራዕራዕ በለ።

8ሽዑ ኻብቲ ኸባቢ ዘሎ ሃገራት ህዝብታት ኣኽተቱሉ፡

መርበቦም ዘርግሑሉ፡ ኣብ ጕድጓዶም ድማ ተታሕዘ።

9ሳንቀ ገይሮም ኣብ ቈፎ ኣእተውዎ፡

ናብ ንጉስ ባቢሎን ድማ ወሰድዎ።

ድምጹ ኣብ ኣኽራን እስራኤል ድሕርዚ ኸይስማዕ፡

ኣብ ጽኑዕ እምባ ኣቐመጥዎ።

     10ኣዴኻ ኸማኻ ኣብ ጥቓ ማያት እተተኽለት ኦም ወይኒ ነበረት።

ብሳላ ብዝሒ ማያት እትጭብጭብ

ሓረግ ፈራይት ኦም ወይኑ ዀነት።

11ንዘንጊ መንግስቲ ዝኸውን ድልዱል ጨንፈር ኣውጽአት፡

ጕንዳ ኣብ ማእከል ጽቡቕ ኣጽል ነውሐ።

ነዋሕን ሓረግ ዝመልኣን ስለ ዝነበረት፡ እትርአ ዀነት።

12ግናኸ ብቝጥዓ ተመንቈሰት፡ ኣብ ምድሪ ኸኣ ተደርበየት፡

ንፋስ ምብራቕ ድማ ፍሪኣ ኣንቀጾ።

ድልዱል ጨናፍራ ተሰብረን ነቐጸን፡ ሓዊውን በልዖ።

13ሕጂ ኣብ ምድረ በዳ፡

ኣብ ደረቕ ምድሪ ኣጻምእ ተተኺላ ኣላ።

14ካብ ጨናፍራ ሓረጋ ሓዊ ወጸ፡

ፍሪኣ ኸኣ ሞዅ ኣበለ።

ዛንጊ ገዛኢ ዝኸውን ድልዱል ጨንፈር የብላን።

እዚኣ ልቕሶ እያ፡ ከም ድጕዓ ትድጓዕ።

       ትን. ህዝቅኤል  ምዕራፍ 20          

   1ኰነ ኸኣ፡ ኣብታ ሳብዐይቲ ዓመት ኣብ ዓስረይቲ መዓልቲ ኣብቲ ሓምሳይ ወርሒ ሓያሎ ሰባት ካብ ዓበይቲ እስራኤል ንእግዚኣብሄር ክጥይቑ መጺኦም ኣብ ቅድመይ ተቐመጡ። 2ከምዚ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ከኣ መጸኒ፡ 3ኣታ ወዲ ሰብ፡ ነቶም ዓበይቲ እስራኤል፡ ክትሓቱኒዶ መጺእኩም፡ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ኣነ ህያው እየ፡ ብኣኻትኩም ኣይሕተትን እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ኢልካ ንገሮም። 4ክትፈርደሎም ዲኻ፡ኣታ ወዲ ሰብ፡ክትፈርደሎም ዲኻ፧ ጽያፍ ኣቦታቶም ኣፍልጦም። 5በሎምውን፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ በታ ንእስራኤል ዝሓሬኹላ መዓልቲ፡ ሽዑ ንዘርኢ ቤት ያእቆብ ኢደይ ኣልዓልኩ፡ ኣብ ሃገር ግብጺ ድማ ተገለጽኩሎም። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ፡ ኢለውን ኢደይ ኣልዓልኩሎም። 6በታ መዓልቲ እቲኣ ኻብ ሃገር ግብጺ ኸውጽኦም፡ ናብታ ኣነ ዝሓሬኹሎም ጸባን መዓርን ዝውሕዛ፡ ካብ ኵለን ሃገራት እትበልጽ ሃገር ክእትዎም፡ ኢለ ኢደይ ኣልዓልኩሎም። 7ኣነ ኸኣ፡ ነፍሲ ወከፍኩም ጽያፍ ዓይኑ ይደርቢ፡ ብጣኦታት ግብጺ ድማ ኣይትርከሱ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላክኩም እየ፡ በልክዎም።
8ንሳቶም ግና ተጻረሩኒ፡ ምስማዐይ ከኣ ኣበዩ፡ ነፍሲ ወከፎም ጽያፍ ዓይኑ ኣይደርበየን፡ ጣኦታት ግብጺውን ኣይሓደገን። ሽዑ ኣብ ማእከል ሃገር ግብጺ ሃና ዅራይ ክወጸሎምሲ፡ ነደረይ ኣብ ልዕሊኦም ክኽዑ እየ፡ በልኩ። 9ግናኸ እዚ ዝገበርዎስ ምእንቲ ስመይ ኣብ ቅድሚ እቶም ኣብ ማእከሎም ዝነብሩ እሞ ኣነ ንኣታቶም ካብ ሃገር ግብጺ ብምውጽአይ ኣብ ቅድሚኦም እተፈለጥኩሎም ህዝብታት፡ ከይትሓስር ኢለ እየ ዝገበርክዎ።
10ካብ ሃገር ግብጺ ኸኣ ኣውጻእክዎም፡ ናብ በረኻውን ኣምጻእክዎም። 11ሕጋጋተይ ሃብክዎም፡ ነቲ ሰብ እንተ ገበሮ ብህይወት ዝነብረሉ፡ ፍርደይ ከኣ ኣፍለጥክዎም። 12ኣብ ርእሲ እዚ ኸኣ እቲ ዝቕድሶም ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክፈልጡስ፡ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኦምን ትእምርቲ ምእንቲ ክዀና ኢለ፡ ሰናብተይ ሃብክዎ። 13ግናኸ ቤት እስራኤል ኣብ በረኻ ኸድዑኒ፡ ከም ትእዛዛተይ ኣይተመላለሱን። ነቲ፡ ሰብ እንተ ገበሮ ብህይወት ዝነብረሉ፡ ፍርደይ ከኣ ኣበይዎ፡ ንሰናብተይውን ኣዝዮም ኣርከስዎ። ሽዑ ኣብቲ በረኻ ኸጥፍኦምሲ፡ ነድረይ ደኣ ክኽዕወሎም በልኩ። 14ግናኸ ምእንቲ ስመይ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ እቶም ኣብ ቅድሚኦም ዘውጻእክዎም ህዝብታት ከይትሓስር ኢለ እየ ዝገበርክዎ። 15-16ልቦም ንጣኦታቶም ስለ ዝሰዓበ፡ ፍርደይ ኣብዮም ከም ሕጋጋተይ ከኣ ኣይተመላለሱን፡ ሰናብተይ ድማ ኣርክሶም እዮም እሞ፡ ናብታ ዝሃብክዎም፡ ጸባን መዓርን እተውሕዝ ካብ ኵላተን ሃገራት ከኣ እትበልጽ ሃገር ኣይከእትዎምን እየ ኢለ ኣብ በረኻ እኳ ኢደይ ኣልዓልኩሎም። 17ግናኸ ዓይነይ ነሓፈቶም እሞ ኣየጥፋእክዎምን፡ ኣብቲ በረኻ ጠሪሰ ኣይወዳእክዎምን።
18ኣብ በረካ ኸኣ ንደቆም፡ ከምቲ ሕጋጋት ኣቦታትኩም ኣይትመላለሱ፡ ፍርዶም ድማ ኣይትሓልዉ፡ ብጣኦታቶምውን ኣይትርከሱ፡ በልክዎም። 19ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ፡ ከም ሕጋጋተይ ተመላለሱ፡ ፍርደይ ከኣ ሓልዉ ግበርዎውን። 20ንሰናብተይ ቀድሱ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምዃነይ ክትፈልጡስ፡ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኹምን ትእምርቲ ክዀና እየን። 21ግናኸ እቶም ደቂ ኸድዑኒ፡ ከም ሕጋጋተይ ኣይተመላለሱን፡ ነቲ ሰብ እንተ ገበሮ ብህይወት ዝነብረሉ፡ ፍርደይ ክገብርዎ ኢሎም ኣይሓለውዎን፡ ንሰናብተይውን ኣርከሱ። ሽዑ ኣብቲ በረኻ ሃና ቝጥዓይ ከውጸሎም ነድረይውን ክኽዕወሎም እየ፡ በልኩ። 22ኣነ ግና ኢደይ መለስኩ፡ ምእንቲ ስመይ፡ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ እቶም ኣብ ቅድሚኦም ዘውጻእክዎም ህዝብታት፡ ከይትሓስር ኢለ እየ ዝገበርክዎ። 23-24ሕጋጋተይ ኣበዩ፡ ንሰናብተይ ኣርከሱ፡ ኣዒንቶም ንጣኦታት ኣቦታቶም ሰዓባ እምበር፡ ፍርደይ ኣይገበሩን እዮም እሞ፡ ኣነ ኣብ ህዝብታት ፋሕ ከብሎም፡ ናብ ሃገራት ክዘርዎም እየ ኢለ፡ ኣብቲ በረኻ እኳ ኢደይ ኣልዓልኩሎም። 25ምስናይ እዚ ኣነውን ጽቡቕ ዘይኰነ ትእዛዛት፡ ብህይወት ክነብሩሉ ዘይከኣሎም ፍርድታት ሃብክዎም። 26ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ምእንቲ ኽፈልጡስ፡ ከባድሞም ኢለ፡ በቲ ማሕጸን ኣዲኡ ዝኸፈተ ዅሉ ብሓዊ ዘሕለፍዎ መባኦም ገይረ ኣርከስክዎም።
27ስለዚ ኣታ ወዲ ሰብ፡ ንቤት እስራኤል፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኢልካ ንገሮም፡ በዚ ድማ ኣቦታትኩም ንኣይ ብምጥላሞም ጸረፉኒ። 28ናብታ ኽህቦም እየ ኢለ ኢደይ ዘልዓልኩላ ሃገር ምስ ኣእቶኽዎም፡ ኣብኡ ንዅሉ በሪኽ ኵርባን ንዅሉ ልሙዕ ኦምን ጠመቱ፡ መስዋእቶም ድማ ኣብኡ ሰውኡ፡ ኣብኡ ኸኣ ዘዀሪ መባእ ኣቕረቡ፡ ኣብኡ ድማ ጥዑም መኣዛኦም ዓጠኑ፡ ኣብኡውን መስዋእቲ መስቲኦም ከዓዉ። 29ኣነ ኸኣ፡ እዚ ናብኡ እትኸድዎ ዘሎኹም በሪኽ እንታይ እዩ፡በልክዎም። በዚ ኸምዚ ስሙ ኽሳዕ ሎሚ ባማ ይሰምይዎ ኣለዉ። 30ስለዚ ንቤት እስራኤል፡ እግዚኣብሄር ኣምላክ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኢልካ ንገሮም፡ ንስኻትኩም ከም መገዲ ኣቦታትኩም እናኸድኩም ረኸስኩም፡ ነቲ ፍንፉን ነገሮም እናሰዓብኩም ዘሞኹም። 31መባእኩም ከተቕርቡ ውሉድኩም ድማ ብሓዊ ኸተሕልፉ ኸሎኹም፡ ክሳዕ ሎሚ ብዅሉ ጣኦታትኩም ትረኽሱ ኣሎኹም። ኣቱም ቤት እስራኤል፡ እሞኸ ኣነዶ ብኣኻትኩም ክሕተት እየ፧ ኣነ ህያው እየ፡ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ብኣኻትኩም ኣይክሕተትን እየ። 32ንሕና፡ ከምቶም ህዝብታትን ዓሌታት ሃገራትን፡ ንዕጭን እምንን ከነምልኽ፡ ኢልኩም ኣብ ሓሳብኩም ጠብላሕ ዝብለኩም ከቶ ኣይክኸውንን እዩ።
33ኣነ ህያው እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ብብርቱዕ ኢድን ብእተዘርግሐት ቅልጽምን ብእተኻዕወ ነድርን ርግጽ ክነግሰኩም እየ። 34ብብርቱዕ ኢድን ብእተዘርግሐት ቅልጽምን ብእተኻዕወ ነድርን ካብቶም ህዝብታት ከውጽኣኩም እየ። 35ናብ በረኻ ህዝብታት ከኣ ክወስደኩም፡ ኣብእውን ገጽ ንገጽ ናብ ፍርዲ ክንኣቱ ኢና። 36ከምቲ ምስ ኣቦታትኩም ኣብ በረኻ ሃገር ግብጺ እተፋረድኩ፡ ከምኡ ድማ ምሳኻትኩም ክፋራረድ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። 37ብትሕቲ በትረይ ከሕልፈኩም፡ ናብ መኣስር ኪዳን ከኣ ከእትወኩም እየ። 38ነቶም ካባይ ዝዓለዉን ዝኸድዑን ካባኻትኩም ክፈልዮም ካብቲ ጓና ዀይኖምዎ ዘለዉ ሃገር ከኣ ከውጽኦም እየ። ግናኸ ናብ ሃገር እስራኤልሲ ኣይክኣትዉን እዮም። ንስኻትኩም ድማ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም።
39ኣቱም ቤት እስራኤል፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ምስማዕ ካብ ኣቤኹምንስ፡ ኪዱ ነፍሲ ወከፍኩም ንጣኦታትኩም ኣምልኹ። ድሕርዚ ግና ንቅዱስ ስመይ ብመባእኩምን ብጣኦታትኩምን ኣይከተርክስዎን ኢኹም። 40ኣብቲ ቅዱስ ከረነይ፡ ኣብቲ በሪኽ ከረን እስራኤል፡ ቤት እስራኤል ዘበሉ ዅሎም ኣብታ ሃገር ከምልኹኒ እዮም። ኣብኡ ተሓጕሰ ክቕበሎም እየ፡ ኣብኡውን ንመስዋእትኹምን ነቲ ነገርኩም ክደልዮ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። 41ካብ ህዝብታት ምስ ኣውጻእኩኹም፡ ካብቲ ፋሕ ኢልኩምዎ ዝነበርኩም ሃገራት ድማ ምስ ኣከብኩኹም፡ ከም ምኡዝ ሽታ ብኣኻትኩም ባህ ክብል፡ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ እቶም ህዝብታት ከኣ ብኣኻትኩም ክቕደስ እየ። 42ንስኻትኩምውን፡ ናብ ሃገር እስራኤል፡ ናብቲ ነቦታትኩም ክህቦም እየ ኢለ ኢደይ ዘልዓልኩሉ ሃገር ምስ ኣእቶኹኹም፡ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም። 43ኣብኡ ኸኣ ንመገድታትኩምን ነቲ ዝረኸስኩምሉ ግብርኹምን ክትዝክሩ ኢኹም፡ በቲ ዝገበርክምዎ ዘበለ ዅሉ እከይ ድማ ነፍስኹም ከስካሕክሕ እዩ። 44ኣቱም ቤት እስራኤል፡ ከምቲ እኩይ መገድኹምን ከምቲ ብልሽዊ ግብርኹምን ዘይኰነስ፡ ምእንቲ ስመይ ኢለ ምስ ገበርኩልኩም፡ ሽዑ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
45ከምዚ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ መጸኒ፡ 46ኣታ ወዲ ሰብ፡ ገጽካ ናብ ደቡብ ኣቢልካ ምለስ፡ ናብ ደቡብ ከኣ ቃልካ ኣንጠብጥብ፡ ነቲ ኣብ ደቡብ ዘሎ ዱር መሮር ድማ ተነበየሉ። 47ነቲ ዱር ደቡብ ከኣ፡ ቃል እግዚኣብሄር ስማዕ፡ ኢልካ ንገሮ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እንሆ ኣባኻ ሓዊ ኽኣጕድ እየ፡ ነተን ኣባኻ ዘለዋ ዅለን ጥሉላት ኣእዋምን ንዅሉ ንቑጻት ኣእዋምን ሞዅ ከብለን እዩ። እቲ ነዳዲ ሃልሃልታ ድማ ኣይክጠፍእን፡ ካብ ደቡብ ክሳዕ ሰሜን ከኣ ኵሉ ገጽ ብእኡ ኽነድድ እዩ። 48ኵሉ ስጋውን፡ እቲ ዝኣጐዶስ ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝዀንኩ፡ክርኢ እዩ። ኣይክጠፍእን እዩ። 49ሽዑ ኣነ፡ ኣየ፡ ኣታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ንሳቶም ብዛዕባይ፡ እዝስ ምስላታት እዩ ዝምስል፡ ይብሉ ኣለዉ፡ በልኩ።

       ትን. ህዝቅኤል  ምዕራፍ 21            

   1ከምዚ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ መጸኒ፡ 2ኣታ ወዲ ሰብ፡ ገጽካ ናብ የሩሳሌም ኣቢልካ ምለስ፡ ቃልካ ኸኣ ናብቲ ቕዱስ ስፍራታት ኣንጠብጥብ፡ ንሃገር እስራኤል ከኣ ኣንጻር ተነበየሉ። 3ነታ ሃገር እስራኤል፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኢልካ ንገራ፡ እኔኹ ኣንጻርኪ እየ፡ ሰይፈይ ከኣ ካብ ሰገባኡ ኽመልሖ ካባኺውን ጻድቃንን ረሲኣንን ከጥፍእ እየ። 4ንጻድቃንን ረሲኣንን ካባኺ ኸጥፍኦም እየ እሞ፡ ስለዚ ንዅሉ ስጋ ኽወቅዕ ካብ ደብብ ክሳዕ ሰሜን ሰይፈይ ካብ ሰገባኡ ኽምላሕ እዩ። 5ስጋ ዘበሉ ዅሎም ከኣ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ሰይፈይ ካብ ሰገባኡ ኸም ዝመላሕኩ፡ክፈልጡ እዮም፡ ኣይክምለስን ድማ እዩ። 6ስለዚ ኣታ ወዲ ሰብ፡ ቈዝም፡ ብምስባር ሓቛቝኻ፡ ብመሪር ቃንዛ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ቈዝም። 7ክኸውን ከኣ እዩ፡ እንታይ ኴንካ ትቝዝም፡ ኢሎም እንተ ሓተቱኻ፡ ንስኻ፡ በቲ ዝመጽእ ወረ ኹሉ ልቢ ኽመክኽ፡ ኩለን ኣእዳው ድማ ወለል ክብላ፡ ኩሉ መንፈስ ከኣ ክሕለል፡ ኩሉ ኣብራኽ ውን ከም ማይ ክፈስስ እዩ፡ ኢልካ ምለሰሎም። እንሆ፡ ይመጽእ ኣሎ፡ ክፍጸም ድማ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
8ከምዚ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ከኣ መጸኒ፡ 9ኣታ ወዲ ሰብ፡ ተነበ በልውን፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ሰይፊ፡ ሰይፊ በሊሑን ተወልዊሉን ኣሎ በል። 10ምእንቲ ኽሓርድ በሊሑ፡ ምእንቲ ማሕማሕ ክብል ተወልዊሉ። እምብኣርሲ ብእኡዶ ክንሕጐስ ኢና፡ በትሪ ወደይ ንኹለን ኣዕጻው ትንዕቀን ኣላ። 11ብኢድ ምእንቲ ክተሓዝ፡ክውልወል ሃቦ። እቲ ሰይፊ ናብ ኢድ ቀታሊ ምእንቲ ኽውፈ፡ ተሳሕለን ተወልወለን። 12ኣታ ወዲ ሰብ፡ እዚ ኣብ ህዝበይን ኣብ ኵሎም መሳፍንቲ እስራኤልን ክኸውን እዩ እሞ፡ ጨርሕ፡ ዋይዋይ ከኣ በል። ምስ ህዝበይ ንኣደዳ ሰይፊ ተዋሂቦም እዮም፡ ስለዚ ሰለፍካ ውቓዕ። 13ምዕዛብ መጸ፡ እታ እትንዕቕ በትሪ እኳ ኻብ ዘይትህሉስ፡ እንታይ ደኣ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። 14ኣታ ወዲ ሰብ፡ ተነበ በእዳውካ ኸኣ ኣጣቕዕ። እቲ ሰይፊ ሰለስተ ግዜ ይካዕበት፡ እቲ ሰይፊ ናይቶም ክሳዕ ሞት ዝቘሰሉ፡ እቲ ሰይፊ ናይቲ ኽሳዕ ሞት ዝቘሰለ ዓብዪ እዩ ናብ ቤቶም ዝኣቱ። 15ልቦም ምእንቲ ኽመክኽ፡ ዕንቅፋቶም ከኣ ክበዝሕሲ፡ ኣንፊ ሰይፊ ናብ ኵሉ ኣፍ ደጌታቶም ኣቢለ ኣንበርኩ። ኣየ፡ ከም በርቂ መስመስ ይብል፡ክሓርዱሉ ኸኣ ተሳሒሉ ኣሎ። 16ስሕለትካ ናብ ዘበሎ ተዳሊኻ ንየማን ወይስ ንጸጋም ኪድ። 17ኣነ ድማ ኣእዳወይ ከጣቕዕ፡ ሃና ነድረይውን ከውጽእ እየ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ ተዛሪበዮ ዘሎኹ።
18መሊሱውን ከምዚ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር መጸኒ፡ 19ኣታ ወዲ ሰብ፡ ሰይፊ ንጉስ ባቢሎን ዚሓልፈለን ክልተ መገዲ ንኣኻ ግበር፡ ክልቴአን ካብ ሓደ ሃገር ይውጽኣ። መሓበርታ ኸኣ ግበር፡ ኣብ ርእሲ እታ ናይታ ኸተማ መገዲ ግበሮ። 20ሰይፊ ናብ ራባት ናይ ደቂ ዓሞን፡ ናብ ይሁዳ ኸኣ ናብታ ዕርድቲ የሩሳሌም ክመጽእስ፡ መገዲ ኽትገብር ኢኻ። 21እቲ ንጉስ ባቢሎን ምእንቲ ኽጥንቍል፡ ኣብታ ቓራና መገዲ፡ ኣብ ርእሲ ኽልቲአን መገዲ ደው ኢሉ ኣሎ፡ ፍላጻታት የነኒ፡ ንጣኦታት ቤት ይጥይቕ፡ ከብዲ ይጥምት ኣሎ። 22ኣብኡ መፍረስ ዕርዲ ኽትከል፡ ንዘመራ ውግእ ኣፉ ክኸፍት፡ ንሆይታ ውግእ ዓው ኢሉ ኽጭድር፡ ኣብ መንጽር ደጌታት ከኣ መፍረስ ዕርዲ ከቕውም፡ ሓመድ ኵዒቱውን ዕርዲ ኽነድቕሲ፡ ኣብ የማነይቱ ናብ የሩሳሌም እተመልክት ዕጭ ኣላቶ። 23ማሕላ ምሒሎም ክነሶምሲ፡ እዝ ጠንቈላ እዚ ሓሶት ኰይኑ ኽረኣዮም እዩ። ንሱ ግና፡ ምእንቲ ኽተሓዙ፡ ኣበሳኦም ከዘክር እዩ።
24ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ገበንኩም ተቐሊዑ፡ ሓጢኣትኩም ብዅሉ ግብርኹም ብምርኣዩ፡ ኣበሳኹም ስለ ዘዘከረኩም፡ ዝኽርኹም ተዘኪሩ እዩ እሞ፡ ስለዚ ብሓያል ኢድ ክትተሓዙ ኢኹም፡ ይብል ኣሎ። 25ኣታ በዚ ኣበሳ ዝፍጸመሉ ግዜ መዓልትኻ ዝበጽሐ ርኹስ ረሲእ መስፍን እስራኤል፡ 26እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ዘውዲ ቐንጥጥ፡ ኣኽሊል ኣውጽእ። እዝስ ከምዚ ዘለዎ ዀይኑ ኣይክነብርን እዩ። እቲ እተዋረደ ልዕል ይበል፡ እቲ ልዕል ዝበለ ኸኣ ይዋረድ። 27ጥፍኣት፡ ጥፍኣት፡ ጥፍኣት ካባይ ክመጻ እዩ። እቲ ኣነ ንእኡ ዝህቦ በዓል ፍርዲ ኽሳዕ ዝመጽእ፡ እዚ ኸኣ ኣይክነብርን እዩ።
28-29ንስኻ ድማ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ ተነበ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ብዛዕባ ደቂ ዓሞንን ብዛዕባ ጸርፎምን ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኢልካ ንገር በልውን፡ ኣብ ልዕሊ ኽሳድ እቶም በዚ ኣበሳ ዝፍጸመሉ ግዜ መዓልቶም ዝበጽሐ ቕቱላት ረሲኣን ኸንብሩኽስ፡ ከንቱነት ክርእዩልኪ፡ ጠንቈላ ሓሶት ከኣ ክናገሩልኪ ኸለዉ፡ ሰይፊ፡ ሰይፊ ተመሊሑ ኣሎ። ክሓርድን ክጐምምን መስመስ ክብልን ተወልዊሉ ኣሎ። 30ናብ ሰገባኡ ኽተቶ፡ ኣብታ እተፈጠርካላ ቦታ፡ ኣብታ እተወለድካላ ሃገር ክፈርደካ እየ። 31ኵራይ ኣብ ልዕሌኻ ክኽዕዎ፡ ሓዊ ነድረይ ድማ ኡፍ ክብለልካ፡ ናብ ኢድ እቶም ከም ኣራዊት ዝበሉ፡ ምጥፋእ ዝተግባሮም ሰባት ክውፍየካ እየ። 32ብልዒ ሓዊ ክትከውን ኢኻ፡ ደምካ ኣብ ማእከል ሃገር ክክዖ እዩ። ኣነ እግዚኣብሄር ተዛሪበ እየ እሞ፡ዝዝክረካ የልቦን።

       ትን. ህዝቅኤል  ምዕራፍ 22            

   1ከምዚ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ መጸኒ፡ 2ኣታ ወዲ ሰብ፡ ክትፈርድዶ ኢኻ፡ ነዛ ኸተማ ደምዶ ክትፈርዳ ኢኻ፧ እምብኣርስ ኩሉ ጽያፋ ኣፍልጣ። 3እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎውን በል፡ግዜኣ ምእንቲ ኽበጽሕ፡ ኣብ ማእከላ ደም እትኽዑ፡ ንርእሳ ኸተርክስ ከኣ ጣኦታት እትገብር ከተማ እያ። 4በቲ ዝኸዖኽዮ ደምኪ፡ በት ዝገበርክዮ ጣኦታት ድማ ረኸስኪ። መዓልትታትኪ ኣቕረብኪ፡ ዓመታትኪውን ኣሕጸርኪ። ስለዚ ንህዝብታት መጻረፊ፡ ንዅሉ ሃገራት ከኣ መላገጺ ገበርኩኺ። 5ኣቲ ርኹስ ዝወሬኺ፡ ዕግርግር ዝመልኣኪ ዝቐረቡኽን ዝረሓቑኽን ከላግጹልኪ እዮም። 6እንሆ፡ እቶም መሳፍንቲ እስራኤል፡ ነፍሲ ወከፍ ከከም ሓይሉ፡ ደም ንምፍሳስ ኣባኺ ነበሩ። 7ኣባኺ ነቦን ነደን ነዓቑ፡ ኣብ ማእከልኪ ንመጻእተኛ ገፍዑ፡ ኣባኺ ንዘኽታምን ንመበለትን ጨቈኑ። 8ነቲ ናተይ ቅዱስ ነገራት ነዓቕኪ፡ ንሰናብተይ ኣርከስኪ። 9ንምፍሳስ ደም ኣባኺ ሓመይቲ ነበሩ፡ ኣባኺ ኣብቶም ኣኽራን በልዑ፡ ኣብ ማእከልኪ ኸኣ ሕሰም ገበሩ። 10ኣባኺ ሓፍረት ኣቦ ገለጹ፡ ኣባኺ ሰበይቲ በቲ ግዜ ደም መርገማ ኣዋረዱ። 11ሰብኣይ ምስ ሰበይቲ ብጻዩ ርኽሰት ገበረ፡ ሓደ ድማ ንሰበይቲ ወዱ ኣርከሰ፡ ሓደኻልእውን ኣባኺ ንሓብቱ ጋል ኣቦኡ ኣነወረ። 12ደም ምእንቲ ኸፍስሱ፡ ኣባኺ ደርሆ ተቐበሉ፡ ኣኻዕበትክን ኣሕረጥክን፡ ብዓመጽ ካብ ብጻይኪ ረባሕኪ፡ ንኣይውን ረሳዕኪ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
13እንሆ እምብኣር፡ በቲ ብዘይ ቅንዕና ዝረባሕክዮን በቲ ኣብ ማእከልኪ ዝኸዖኽዮ ደምን ኢደይ ኣጣቓዕኩ። 14በታ ግብረይ ኣባኺ ዝገብረላ መዓልትስ ልብኺዶ ክቐውም ወይስ ኣእዳውኪ ኽጸንዓ እየን: ኣነ እግዚኣብሄር እየ እተዛረብኩ እሞ ክገብሮ እየ። 15ኣነ ኣብ ማእከል ህዝብታት ፋሕ ከብለኪ፡ ናብ ሃገራት ከኣ ክዘርወኪ፡ ርስሓትኪውን ካባኺ ኸጥፍኦ እየ። 16ብሰሪ ርእስኺ ኣብ ቅድሚ ህዝብታት ክትረኽሲ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ምኻነይ ከኣ ክትፈልጢ ኢኺ።
17ከምዚ ዝብል ቃልእግዚኣብሄር ከኣ መጸኒ፡ 18ኣታ ወዲ ሰብ፡ እቶም ቤት እስራኤል ሓርኢ ሓጺን ኰኑኒ፡ ኣብ ማእከል እቶን ከኣ ኵላቶም ኣስራዝን ቈርቈሮን ሓጺንን ዓረርን እዮም። ሓተላ ብሩር ኰኑ። 19ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኵላትኩም ሓርኢ ሓጺን ኢኹም እሞ፡ ስለዚ እንሆ፡ ኣብ ማእከል የሩሳሌም ክእክበኩም እየ። 20ከምቲ ክመክኽ ኢሎም፡ ሓዊ ምእንቲ ኽነፍሑሉ፡ ንብሩርን ኣስራዝን ሓጺንን ዓረርን ቈርቈሮን ኣብ ማእከል እቶን ዝእክብዎ፡ ከምኡ ኸኣ ብቝጥዓይን ብነድረይን ክእክበኩምን ኣብኡ ኸእትወኩምን ከምክኸኩምን እየ። 21ክእክበኩም ሓዊ ነድረይ ድማ ክነፍሓልኩም እየ። ኣብ ማእከልውን ክትመኩ ኢኹም። 22ከምቲ ብሩር ኣብ ማእከል እቶን ዝመክኽ፡ ከምኡ ኣብ ማእከል ኽትመኩ ኢኹም። ንስኻትኩምውን፡ ኣነ እግዚኣብሄር ነድረይ ኣብ ልዕሌኹም ከም ዘፍሰስኩ፡ ክትፈልጡ ኢኹም።
23ከምዚ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ መጸኒ፡ 24ኣታ ወዲ ሰብ፡ ንእኣ፡ ንስኺ ዘይጸረኺ፡ ብመዓልቲ ኵራውን ዝናም ዘይዘነመኪ ሃገር ኢኺ፡ ኢልካ ንገራ። 25ኣብ ውሽጣ ዘለዉ ነብያት ተማሓሒሎም ኣለዉ፡ ከምቲ ንግዳይ ሰላሊዑ ዝጓዝም ዝንበሳ፡ ነፍሳት ወሓጡ፡ መዝገብን ክቡር ነገርን ወሰዱ፡ ኣብ ማእከላውን መበላሉ ኣብዝሑ። 26ካህናታ ሕገይ ኣፍረሱ፡ ነቲ ናተይ ቅዱስ ነገራት ኣርከሱ፡ ነቲ ቅዱስ ካብቲ ዘይቅዱስ ኣይፈለዩን፡ ኣብ መንጎ ርኹስን ንጹህን ዘሎ ልዩነት ኣየፍለጡን፡ ካብ ሰናብተይ ኣዒንቶም ዓመቱ፡ ኣነውን ኣብ ማእከሎም ረኸስኩ። 27መሳፍንታ ኣብ ውሽጣ፡ ብዘይ ቅንዕና ኽረብሑስ፡ ደም እናፍሰሱ፡ ነፍሳት እናጥፍኡ፡ ከምቶም ንግዳይ ዝሰላልዑ ተዃሉ እዮም። 28ነብያት፡ ከንቱነት እናረኣዩ፡ ሓሶት እናጠቈሉሎም፡ እግዚኣብሄር ዘይተዛረቦስ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እናበሉ ብዘይጠቅም ጸብሪ ለቕለቑሎም። 29እቲ ህዝቢ እታ ሃገር ዓመጸ፡ ከተረ፡ ንሽጉርን ድኻን ገፍዐ፡ ንመጻእተኛውን ኣጨነቐ። 30ኣነ ኸየጥፋኣስ፡ ነቲ ቐጽሪ ዘጣጥእ ምእንቲ እታ ሃገርውን ኣብ ቅድመይ ኣብቲ ምንቃዕ ዝቐውም፡ ኣብ ማእከሎም ሓደ ሰባኣይ ደሌኹ፡ ግናኸ ሓደ እኳ ኣይረኸብኩን። 31ስለዚ ኸኣ ኵራይ ኣብ ልዕሊኦም ኣፍሰስኩ፡ ብሓዊ ነድረይ ኣጥፋእክዎም፡ መገዶም ኣብ ልዕሊ ርእሶም መለስኩሎም፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።

       ትን. ህዝቅኤል  ምዕራፍ 23            

   1ከምዚ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ከኣ መጸኒ፡ 2ኣታ ወዲ ሰብ፡ ክልተ ኣንስቲ፡ ሓንቲ ዘዲአን ኣዋልድ፡ ነበራ። 3እዚኣተን ኣብ ግብጺ ኣመንዘራ፡ ኣጥባተን ተጸቕጠ፡ እቲ ድንግል ሕጽነን ኣብኡ ተደርቅቐ። 4ኣስማተን ከኣ፡ እታ ዓባይ ኦሆላ፡ እታ ሓብታ ድማ ኦሆሊባ ይበሃላ ነበራ። ናተይ ኰና፡ ኣወዳትን ኣዋልድን ድማ ወለዳ። ስማተን ከኣ ኦሆላ ሰማርያ እያ፡ ኦሆሊባ ድማ የሩሳሌም እያ።
5ኦሆላ ኸኣ ናተይ ከላስ ዘመወት። ፍትወታ ኣብቶም ፈተውታ ኣብ ኣሶራውያን ጐረባብታ ዀነ። 6ንሳቶም ሰማያዊ ሃሪ እተኸድኑ መሳፍንትን መኳንንትን፡ ኵላቶምውን መልክዐኛታት ኣባጽሕ፡ ኣብ ኣፍራስ ዝቕመጡ ፈረሰኛታት ነበሩ። 7ምስ ኵላቶም ሕሩያት ኣወዳት ኣሶር ከኣ ኣመንዘረት፡ ፍትወት ኣብ እተላዕላ ምስ ኵሎም ጣኦታቶም ድማ ረኸሰት። 8ምስናይ እዚ ኸኣ ነቲ ምስቶም፡ብጓላ ኸኣ፡ ምስኣ ዝደቀሱን ድንግል ሕጽና ዝደርቀቑን ዝሙቶም ዝኸዓዉላን ግብጻውያን ምዝማዋ ኣይሓደገትን። 9ስለዚ ኣብ ኢድ እቶም ፈተውታ፡ ብፍትወት ምሳታቶም ነዲዳ ዝነበረት፡ ኣብ ኢድ ኣወዳት ኣሶር መጦኽዋ። 10ንሳቶም ከኣ ዕርቃና ቀልዑ፡ ነወዳታን ነዋልዳን ማረኽዎም፡ ንእኣ ድማ ብሰይፊ ቀተልዋ። ኣብ ማእከል ኣንስቲ ኽፉእ ስም ወጸ፡ ኣብ ልዕሊኣውን ፍርዲ ተፈርደ።
11ኦሆሊባ ሓብታ ኸኣ እዚ ረኣየት፡ ብፍትወታ ኻብኣ ገደደት፡ ምንዝርንኣ ድማ ካብ ምንዝርና ሓብታ በዝሐ። 12ምስቶም ጐረባብታ ደቂ ኣሶር፡ መሳፍንትን፡ዘሐብን ክዳውንቲ እተኸድኑ፡ ኣብ ኣፍራስ ኣተቐመጡ ፈረሰኛታት፡ ኵሎም መልክዐኛታት ኣባጽሕ፡ ብፍትወት ነደደት። 13ንሳውን ከም ዝረኸሰት ርአኹ፡ ክልቲአን ሓደ መገዲ ኸዳ። 14ንሳ ግና ብምንዝርንኣ ሓለፍ በለት፡ ኣብ መንደቕ ከኣ ስእሊ ሰብኡት፡ ምስሊ ከለዳውያን ብቐይሕ ቀለም ተሳኢሉ። 15ቅናት ኣብ ሕቝኦም ተዓጢቖም፡ ገፊሕ መጠምጠምያ ኸኣ ኣብ ርእሶም፡ ኵላቶም መኳንንቲ፡ ኣብታ እተወልዱላ ሃገር ከለዳውያን ምስሊ ደቂ ባቢሎን ዝመስሉ ረኣየት። 16በዒንታ ምስ ረኣየቶም ኣባታቶም ብፍትወት ነደደት፡ ናብ ሃገር ከለዳውያን ድማ ልኡኽ ለኣኸትሎም። 17ደቂ ባቢሎን ከኣ ናብኣ መጹ ምስኣ ብፍትወት ደቀሱ፡ ብምንዝርናኦም ድማ ኣርከስዋ። ብኣታቶም ምስ ረኸሰት፡ ነፍሳ ኻብኦም ኣግለሰት። 18ዝሙታ ምስ ገለጸት፡ ዕርቃና ምስ ቀልዐት፡ ከምቲ ነፍሰይ ካብ ሓብታ ዘግለሰት፡ ካብኣ ድማ ነፍሰይ ኣግለሰት። 19ግናኸ ብዘመን ንእስነታ ኣብ ሃገር ግብጺ ዘመንዘረቶ ዘኪራስ፡ ምንዝርንኣ ኣብዝሐት። 20ምስቶም ዘመውቲ፡ ስጋኦም ከም ናይ ኣድጊ ስጋ፡ ዘርኦም ከም ዘርኢ ኣፍራስ ዝዀነ ኸኣ፡ ብፍትወት ነደደት። 21ከምኡ፡ እቶም ግብጻውያን ኣጥባት ጕርዝነት ከሎኪ ዝደርቀቑኺ፡ ርኽሰት ንእስነትኪ ዘከርኪ።
22ስለዚ ኣቲ ኦሆሊባ፡ ኣግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እንሆ፡ ኣነ ነቶም ነፍስኺ ኻባታቶም ዘግለሰት ፈተውትኺ ኸተንስኣልኪ እየ። ክጻረሩኺ ኸኣ ካብ ኵሉ ወገን ከምጽኦም እየ። 23ባቢሎናውያንን ኵሎም ከለዳውያንን ጼኮድን ሾዓን ቆዓን፡ ምስኦም ከኣ ኵሎም ኣሶራውያንን፡ መልክዐኛታት ኣባጽሕ፡ መሳፍንትን መኳንንትን ኵላቶም ኣብ ኣፍራስ እተቐመጥ ሓላቑን ውሩያትን፡ 24ንሳቶም ኣጽዋርን ሰረገላታትን መንኰራዅርን ሒዞም፡ ምስ ብዙሕ ከተቴ ህዝብታት ክጻረሩኺ ኽመጹ እዮም። ገለብን ዋልታን ቍራዕ ርእስን ሒዞም ብዙርያኺ ኽቃወሙኺ እዮም። ኣነ ኸኣ ፍርዲ ኽህቦም እየ፡ ንሳቶምውን ከም ፍርዶም ክፈርዱኺ እዮም። 25ቅንኣተይ ከውርደልኪ እየ፡ንሳቶም ከኣ ብነድሪ ኽመዓቱኺ እዮም። ኣፍንጫኽን ኣእዛንክን ክቘርጹ እዮም፡ እቲ ኻባኺ ዝተርፍ ድማ ብሰይፊ ኽወድቕ እዩ። ነወዳትክን ነዋልድክን ክማርኽዎም፡ እቲ ኻባኺ ዝተርፍውን ብሓዊ ክዅመም እዩ። 26ክዳውንትኺ ክቕንጥጡኺ፡ ክቡር ስልማትኪ ኽወስዱልኪ እዮም። 27ኣዒንቲኺ ናባታቶም ቍሊሕ ከይተብልን፡ ድሕርዚ ኸኣ ግብጺ ኸይትዝክርንሲ፡ ነቲ ኻብ ግብጺ ዝጀመረ ርኽሰትክን ምንዝርናኽን መወዳእታ ኽገብረሉ እየ። 28እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እንሆ፡ ኣነ ናብ እቶም እትጸልእዮም ነፍስኺ ኻብኦም ዘግለሰት ክውፍየኪ እየ እሞ፡ 29ብጽልኢ ኽካየዱኺ፡ ዅሉ ጻማ ድኻምኪ ኽወስዱልኪ፡ ዕርቕትን ንውልቅኽን ገይሮም ክሓድጉኺ እዮም። ናይ ምንዝርናኺ ዕርቃን ርኽሰትክን ምንዝርናኽን ክግለጽ እዩ። 30ደድሕሪ ህዝብታት ዒልዒል እናበልኪ ስለ ዝመንዘርኪ፡ ብጣኦታቶም ከኣ ስለ ዝረኸስኪ፡ እዚ ነገር እዚ ኽወርደኪ እዩ። 31ብመገዲ ሓብትኺ ኸድኪ፡ ስለዚ ኸኣ ኣነ ናታ ጽዋእ ኣብ ኢድኪ ኽህበኪ እየ። 32እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ንስኺ እታ ዓማቝን ገፋሕን ዝዀነት ጽዋእ ሓብትኺ ኽትሰትዩ ኢኺ። ብዙሕ እትሕዝ እያ እሞ መስሓቕን መላገጽን ክትኰኒ ኢኺ። 33እታ ጽዋእ ሓብትኺ ሰማርያስ ጽዋእ መሰክሕን ጥፍኣትን እያ እሞ፡ ብስኽራንን ብሓዘንን ክትመልኢ ኢኺ። 34ኣነ እየ እተዛረብኩ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ እሞ፡ክትሰትይያን ክትጽንቅቕያን ገልዑ ኸኣ ክትነኽስን፡ ኣፍ ልብኺ ድማ ክትስንጥቕን ኢኺ። 35ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ንስኺ ረሲዕክኒ፡ ብድሕሪ ዝባንኪ ድማ ደርቢኽኒ ኢኺ እሞ፡ ንስኺውን ርኽሰትክን ምንዝርናኽን ጹሪ።
36እግዚኣብሄር ከኣ በለኒ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ ንኦሆላን ንኦሆሊባን ክትፈርደለን ዲኻ፡እምብኣርስ ጽያፈንንገረን። 37ዘምየን እየን እሞ፡ ኣብ ኣእዳወን ደም ኣለወን፡ ምስ ጣኦታተን ዘምየን፡ ነቶም ንኣይ ዝወለድክዎም ደቀን፡ ሓዊ ኽበልዖምሲ፡ ብእኡ ኣሕለፋኦም። 38ኣብ ርእሲኡውን እዚ ገበራኒ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ መቕደሰይ ኣጸየፋ፡ ሰናብተይ ከኣ ኣርከሳ፡ 39ደቀን ንጣኦታተን ምስ ሓርዳኦም፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ኸርክስኣ ናብ መቕደሰይ መጻ። እንሆ፡ ኻብ፡ ኣብ ማእከል ቤተይ ከምዚ ገበራ። 40ኣብ ርእሲ እዚ ድማ ነቶም ካብ ርሑቕ ዝመጹ ሰብኡት ለኣኻሎም። ልኡኽ ተላእኮም፡ እንሆ፡ውን መጹ። ተሓጸብክሎም፡ ኣዒንትኺ ተዀሓልክሎም፡ ብስልማትውን ተሰለምክሎም። 41ኣብ ጽቡቕ ዓራት ተቐመጥኪ፡ ኣብ ቅድሚኡ ኸኣ ሰደቓ ተዳልዩ ነበረ፡ ኣብ ልዕሊኡውን ዕጣነይን ዘይተይን ኣንበርኪ። 42ኣብኣ ድምጺ ሕጉሳት ሰብ ነበረ። ናብቲ ብዙሕ ህዝቢ ድማ ሰብ ሳባ ኻብ በረኻ ኣምጽኡ። ንሳቶም ከኣ ኣምባር ኣብ ኣእዳወን፡ እጹብ ዘውዲውን ኣብ ኣርእስተን ገበሩ።
43ሽዑ ኣነ ብዛዕባ እታ ብዝሙት ዝኣረገት፡ ሎሚ ድማ ምስኣ የመንዝሩ ኣለዉ፡ በልኩ፡ 44ከምቲ ናብ ኣመንዝራ ዝኣትዉ፡ ናብኣ ኣተዉ። ከምኡውን ናብተን ርኹሳት ኣንስቲ ኦሆላን ኦሆሊባን ኣተዉ። 45ጻድቃን ሰባት ከኣ፡ ዘመውቲ ስለ ዝዀና ኣብ ኣእዳወን ድማ ደም ስለ ዘለወን፡ ከምቲ ንዘመውቲ፡ ከምቲ ነተን መፍሰስቲ ደም ዝፍረደን ገይሮም፡ክፈርድወን እዮም። 46ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኣኼባ ህዝቢ ኸውጽኣለን እየ እሞ፡ ንምምራኽን ንዘመተን ኣሕሊፈ ኽህበን እየ። 47ኣኼባ ኸኣ ብዳርባ እምኒ ክቐትልወን፡ በስያፎም ክቘራርጽወን፡ ነወዳተንን ነዋልደንን ክቐትልዎም፡ ኣባይተንውን ብሓዊ ኸንድዱ እዮም። 48ኵላተን ኣንስቲ ኸምቲ ምንዝርናኽን ኸይገብራ፡ ምእንቲ ኽመዓዳስ፡ ንምንዝርና ኻብታ ሃገር ከጥፍኦ እየ። 49ምንዝርናኽን ኣብ ልዕሌኽን ከንብሩልክን እዮም፡ ሓጢኣት ጣኦታትክን ድማ ክትጾራ ኢኽን። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምዃነይ ከኣ ክትፈልጣ ኢኽን።

       ትን. ህዝቅኤል  ምዕራፍ 24            

   1ኣብ መበል ታስዐይቲ ዓመት ኣብታ ዓስረይቲ ወርሒ፡ ካብታ ወርሒውን ኣብ ዓስረይቲ መዓልቲ ኸምዚ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር መጸኒ፡ 2ኣታ ወዲ ሰብ፡ ነዛ መዓልቲ እዚኣ ስም እዛ መዓልቲ እዚኣ ጽሓፍ። ንጉስ ባቢሎን ሎሚ መዓልቲ ናብ የሩሳሌም ቀረበ። 3ነታ ኸዳዕ ቤት ምስላ ንገራ በሎምውን፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ድስቲ ሰኽትት፡ ሰኽትቶ ማይ ድማ ኣዕርቐሉ። 4ምታሩ፡ ኵሉ ጽቡቕ ምታር ዘበለ፡ እግርን ክሳድን፡ ናብኡ ኣክቦ፡ በቲ ሕሩይ ዓጽሚውን ምልኣዮ። 5ካብቲ መጓሰ ኸኣ ሕሩድ ውሰድ፡ ነቲ ዓጽሚ ድማ ኣብ ትሕቲኡ ዀሚርካ፡ እቲ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ኣዕጽምቲ ምእንቲ ኽበስል፡ ኣጸቢቕካ ኣፍልሓዮ።
6ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ነታ ምምራታ ዘይለቅቕ ብምምራት ዝዘዓገት ድስቲ፡ በዓልቲ ደም ዝዀነት ከተማ ወይለኣ። ነቲ ምራት ብምታሩ ኣውጽኣዮ፡ ዕጭ ኣይወደቖን። 7ደማ ኣብ ማእከላ እዩ እሞ፡ ኣብቲ ልሙጽ ከውሒ ሓደገቶ። ብሓመድ ክትከድኖ እኳ ኣብ ምድሪ ኣይከዓወቶን። 8ንምልዕዓል ነድርን ንምፍዳይ ሕነ እቲ ደማ ምእንቲ ኸይክወል፡ ኣብ ልሙጽ ከውሒ ኣኽዖኽዎ።
9ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኣነውን ብርቱዕ መጕሃር ክኣጕድ እየ እሞ፡ ነታ በዓልቲ ደም ዝዀነት ከተማ ወይለኣ፡ 10ኣዕጻው ኰምር፡ ሓዊ እጐድ፡ ነቲ ስጋ ኣጸቢቕካ ኣብስሎ፡ ነቲ መረቕ ኣዚካ ኣፍልሓዮ፡ ነቲ ኣዕጽምቲ ኸኣ ኣሕርሮ። 11ምእንቲ ኽውዕን እቲ ኣስራዚኡ ድማ ምእንቲ ኽረስንን ኣብ ውሽጢ ዘሎ ዛዕጉ ኽመክኽን እቲ ምምራቱ ኸኣ ክጠፍእንሲ፡ ጥራዩ ኣብ ልዕሊ ጓህሪ ሰኽትቶ። 12ጻዕራ ኸንቱ እዩ፡ ምምራታ በርቲዑ እዩ እሞ፡ ብሓዊ እኳ ኣይለቅቕን እዩ። 13ኣብ ርስሓትኪ ርኽሰት ኣሎ። ኣጽርየክስ ኣይጸሬኽን ኢኺ እሞ፡ሃና ነድረይ ክሳዕ ዝወጸልኪ ኻብ ርስሓትኪ ኣይክትጸርይን ኢኺ። 14ኣነ እግዚኣብሄር እየ እተዛረብክዎ። ክኸውን እዩ፡ ክገብሮ ድማ እየ። ከም መገድኽን ከም ግብርኽን ክፈርዱኺ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
15ከምዚ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ከኣ መጸኒ፡ 16ኣታ ወዲ ሰብ፡ እንሆ፡ ንተድላ ኣዒንትኻ ብወቕዒ ኽምንጥለልካ እየ። ንስኻ ድማ ኣይትሕዘን፡ ኣይትብከ፡ ኣይትንባዕውን፡ 17ስቕ ኢልካ እህህ በል፡ ንምዉታት ከም ዝልቀሶም ጌርካ ኣይተልቅስ፡ ርእስኻ ደኣ ብመጠምጠምያ ጠምጥም፡ ኣሳእንካ ኣብ ኣእጋርካ ኣእቱ፡ ጭሕምኻ ኣይትኽደን እንጌራ ሓዘንቲውን ኣይትብላዕ።
18ነቲ ህዝቢ ንግሆ ተዛረብክዎ፡ ንምሸቱ ኸኣ ሰበይተይ ሞተት፡ ንጽብሒቱ ድማ ከምቲ እተኣዘዝክዎ ገበርኩ፡ 19እቲ ህዝቢውን፡ እቲ እትገብሮ ዘሎኻስ ንኣና እንታይ ማለት ምዃኑዶ ኣይትገልጸልናን ኢኻ፡በለኒ። 20ኣነ ድማ፡ ከምዚ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር መጸኒ፡ ኢለ መለስኩሎም፡ 21ንቤት እስራኤል፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል፡ ኣሎ፡ በሎም፡ እንሆ፡ እታ ሓበን ሓይልኹም፡ እታ ተድላ ኣዒንትኹም፡ እታ ናፍቖት ነፍስኹም፡ ቤት መቕደሰይ ከርክሳ እየ። እቶም ደድሕሬኹም ዝሓደግኩምዎም ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን ብሰይፊ ኽወድቁ እዮም። 22ንስኻትኩም ከኣ ከምቲ ዝገበርክዎ ኽትገብሩ ኢኹም። ጭሕምኹም ኣይክትከድኑን፡ እንጌራ ሓዘንቲውን ኣይክትበልዑን፡ 23መጠምጠምያኹም ኣብ ርእስኹም፡ኣሳእንኩም ኣብ ኣእጋርኩም ክኸውን እዩ። ዋይዋይ ኣይክትብሉን ኣይክትበኽዩን ከኣ ኢኹም፡ ግናኸ ብሰሪ ኣበሳኹም ክትማስኑ፡ ነንሓድሕድኩም ከኣ እህህ ክትብሉ ኢኹም። 24ህዝቅኤል ከኣ ኣርኣያ ክዀነልኩም እዩ፡ ከምቲ ንሱ ዝገበሮ ዘበለ ዅሉ። እዚ ምስመጸ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም።
25ኣታ ወዲ ሰብ ከኣ፡ በታ ንሓይሎምን፡ ንሓጐስ ክብረቶም፡ ንተድላ ኣዒንቶም፡ ነቲ ናፍቖት ልቦም፡ ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን ኣነ ካብኦም ዝወስደላ መዓልቲ፡ 26በታ መዓልቲ እቲኣ እቲ ዘምለጠ ኣብ እዝንኻ ኸስምዓካ ኽመጸካ እዩ። 27በታ መዓልቲ እቲኣ እቲ ዘምለጠ ምስ መጸ ኣፍካ ክኽፈት እዩ፡ ክትዛረብ ድሕርዚ ኸኣ ዓባስ ኣይክትኸውንን ኢኻ። ከምኡ ንስኻ ኣርኣያ ኽትኰኖም ኢኻ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይውን ክፈልጡ እዮም።

       ትን. ህዝቅኤል  ምዕራፍ 25            

   1ከምዚ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ከኣ መጻኒ፡ 2ኣታ ወዲ ሰብ፡ ገጽካ ናብ ደቂ ዓሞን ኣቢልካ ምለስ እሞ ተነበየሎም። 3ንደቂ ዓሞን ከኣ፡ ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኽ ስምዑ፡ ከምዚ ይብል ኣሎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ኢልካ ንገሮም፡ መቕደሰይ ስለ ዝረኸሰት፡ ሃገር እስራኤል ስለ ዝባደመት፡ ቤት ይሁዳ ስለ እተማረኹ ኣሰይ፡ ኣሰይ ኢልካ ኢኻ እሞ፡ 4ስለዚ እንሆ፡ ንደቂ ምብራቕ ርስቶም ክትከውን፡ ድንኳናቶም ክተኽሉልካ፡ ኣብ ማእከልካውን ሰፊሮም ክሰርሑ ኽውፍየካ እየ። ንሳቶም ፍሬኻ ኽበልዑ፡ ጸባኻውን ክሰትዩ እዮም። 5ንራባት መጓሰዪ ኣግማል፡ ንደቂ ዓሞን ከኣ ደምበ ኣባጊዕ ክገብሮም እየ። ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ድማ ክትፈልጡ ኢኹም። 6እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ በእዳውካ ስለ ዘጣቓዕካ፡ በእጋርካ ኰርደብደብ ስለ ዝበልካ፡ ብዅሉ ነፍስኻ ንዒቕካያ ብሃገር እስራኤል ስለ እተሓጐስካ፡ 7ስለዚ እንሆ፡ ኢደይ ኣባኻ እዝርግሕ ኣሎኹ እሞ፡ ዘመተ ኣህዛብ ክትከውን ክውፍየካ፡ ካብ ህዝብታት ከጽንተካ፡ ካብ ሃገራት ክጥርሰካ፡ ከጥፍኣካውን እየ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ድማ ክትፈልጥ ኢኻ።
8እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ሞኣብን ሰዒርን፡ እንሆ፡ ቤት ይሁዳስ ከም ኵላቶም ህዝብታት እዮም፡ ይብሉ ኣለዉ እሞ፡ 9ስለዚ እንሆ፡ ኣነ ንግድሚ ሞኣብ ብወገን ከተማታት ካብተን ብዅሉ ኸባቢኣ ዘለዋ ኸተማታታ፡ ክቡራት እታ ሃገር፡ እኒ ቤት-የሺሞት፡ በዓል-መዖን፡ ቂርያታይም ክኸፍት እየ። 10እቶም ደቂ ዓሞን ድሕርዚ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ከይዝከሩስ፡ ነቶም ኣብ ርእሲ ደቂ ዓሞን ዝመጹ ደቂ ምብራቕ ርስቲ ገይረ ኽውፍየን እየ። 11ኣብ ሞኣብ ፍርዲ ኽገብር እየ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ከኣ ክፈልጡ እዮም።
12እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኤዶም ጨኪኑ ንቤት ይሁዳ ሕነ ብምፍዳዩ፡ በዚ ዝፈደዮ ሕነ እዚ ብርቱዕ በደል በዲሉ ኣሎ እሞ፡ 13ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ኢደይ ናብ ኤዶም ክዝርግሕ፡ ሰብን እንስሳን ድማ ካብኣ ኸጽንት እየ። ካብ ቴማን ጀሚረ ጸምጸም በረኻ ኽገብሮም እየ፡ ክሳዕ ዴዳን ከኣ ብሰይፊ ኽወድቁ እዮም፡ ይብል ኣሎ። 14ኣነ ኸኣ፡ ብኢድ ህዝበይ እስራኤል ገይረ፡ ሕነይ ናብ ኤዶም ከውርዶ እየ። ንሳቶም ንኤዶም ከም ኵራይን ነድረይን ክገብርዋ እዮም። ምፍዳይ ሕነይውን ክፈልጡ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
15እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እቶም ፍልስጥኤማውያን ጨክኖም ሕነ ስለ ዝፈደዩ፡ በቲ ናይ ጥንቲ ጽልኦም ከጥፍኡ ኢሎምሲ፡ ብነፍሶም ንዒቖም ሕነ ስለ ዝፈደዩ፡ 16ስለዚ ኸኣ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እንሆ፡ ኢደይ ናብ ፍልስጥኤማውያን ክዝርግሕ፡ ንክረታውያን ከኣ ከጽንቶም፡ ነቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ተርፊ ዘሎውን ከጥፍኦ እየ። 17ብመዓት ነድሪ ኸኣ ብርቱዕ ምፍዳይ ሕነ ኽፈድዮም እየ። ሕነይ ምስ ፈዴኽዎም፡ ሽዑ ኣነ እግዚብሄር ምዃነይ ክፈልጡ እዮም።

       ትን. ህዝቅኤል  ምዕራፍ 26            

   1ኰነ ኸኣ፡ ኣብ መበል ዓሰርተው ሓደ ዓመት በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ እታ ወርሒ ኸምዚ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር መጸኒ፡ 2ኣታ ወዲ ሰብ፡ ጢሮስ ብዛዕባ የሩሳሌም፡ ኣሰይ፡ ኣሰይ፡ እታ ደገ ህዝብታት ፈሪሳ፡ ናባይ ተመሊሳ፡ ንሳ ባዲማ እያ፡ ኣነ ኽመልእ እየ፡ ኢላ ኣላ እሞ፡ 3ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኣቲ ጢሮስ፡ ተሃንዲደኪ እኔኹ፡ ከምቲ ባሕሪ ንማዕበሉ ዘልዕሎ፡ ከምኡ ገይረ ብዙሓት ህዝብታት ከተንስኣልኪ እየ። 4ንቐጽርታት ጢሮስ ከጥፍእዎ፡ ንግምብታታ ኸኣ ከፍርስዎ። ሓመዳ ኽጸርገላ፡ ልምጽምጽ ዝብል ከውሒ ኽገብራ እየ። 5ንሳ ኣብ ማእከል ባሕሪ መስጥሒ መርበብ ክትከውን እያ። ኣነ ተዛሪበ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። ንህዝብታት በዝባዝ ክትከውን እያ። 6እተን ኣብ መሮር ዘለዋ ኣዋልዳ ኸኣ ብሰይፊ ክቕተላ እየን፡ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ድማ ክፈልጡ እዮም። 7እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እንሆ፡ ንነቡካድነጻር፡ ንጉስ ባቢሎን ንጉስ ነገስታት፡ ምስ ኣፍራስን ሰረገላታትን ምስ ፈረሰኛታትን ጭፍራን ብዙሕ ህዝብን ካብ ሰሜን ናብ ጢሮስ ከምጽኦ እየ። 8ነተን ኣብ መሮር ዘለዋ ኣዋልድኪ ብሰይፊ ክቐትለን፡ ዕርዲ ኽዓርደልኪ፡ ሓመድ ክዅምረልኪ፡ ዋልታታት ከልዕለልኪ እዩ። 9ነቲ መፍረሲኡ ናብ ቀጽርኺ ኣቢሉ ኽተኽሎ እዩ፡ ብመሳርያኡ ኸኣ ንግምብታትኪ ኸፍርሶ እዩ። 10ካብ ብዝሒ ኣፍራሱ እተላዕለ፡ ደሮናኦም ከጐልብበኪ እዩ። ብፍሩስ ቀጽሪ ኣብ ከተማ ኸም ዝኣትዉ፡ ንሱ ብኣፍ ደጌታትኪ ኽኣቱ ኸሎ፡ ህዱድ ብምባል ፈረሰኛታትኪ መንኰራዅሩን ሰረገላታቱን ቀጽርታትኪ ነይነይ ክብል እዩ። 11ንዅሉ ኣደባባያትኪ ብሸዀና ኣፍራሱ ኽረግጾ፡ ንህዝብኺ ብሰይፊ ክቐትሎም፡ እቲ ሓወልቲ ሓይልኺ ናብ ምድሪ ጻሕ ክብል እዩ። 12ንመዛግብትኺ ኽብዝብዙ፡ ነቕሑ ንግድኪ ኽዘምቱ፡ ንመናድቕኪ ኸፍርሱ፡ ነቲ በብሉጽ ኣባይትኺ ኽፍንጥሑ፡ ነእማንክን ኣዕጻውክን ሓመድክን ኣብ ማእከል ማይ ክድርብዩ እዮም። 13ንደሃይ ደርፍኺ መወዳእታ ኽገብረሉ እየ፡ ድሕርዚ ድማ ቃና መሰንቆታትኪ ኣይክስማዕን እዩ። 14ልሙጽ ከውሒ ኽገብረኪ እየ፡ መስጥሒ መርበብ ክትኰኒ ኢኺ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ እተዛረብኩ እሞ፡ ከም ብሓድሽ ኣይክትስርሕን ኢኺ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
15እግዚኣብሄር ኣምላኽ ንጢሮስ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ብህማም ምውዳቕኪ፡ እቶም ውጹዓት ውጉኣት ክቕንዘዉ ኸለዉ፡ ኣብ ማእከልኪ ክቕተሉ ኸለዉ፡ እተን ደሴታትዶ ረዓድ ኣይክሕዘንን እዩ፡ 16ሽዑ ዅላቶም መሳፍንቲ ባሕሪ ካብ ዝፋውንቶም ክወርዱ፡ ባርኖሶም ክቕንጥጡ ጥሉፍ ኣልባሶም ክድርብዩ፡ ስምባድ ክኽደኑ፡ ኣብ ምድሪ ክቕመጡ፡ ኵሉ ግዜ ፈጥፈጥ ክብሉ፡ ብኣኺ ኽስክሑ እዮም። 17-18ኣቲ መሳፍሮ ሰብ ባሕሪ፡ ኣቲ ኣብ ባሕሪ ሓያል ዝነበርኪ፡ ንስኺ ምስቶም ኣባኺ ዝነብሩ ዝነበሩ ኾንኪ ብዅሉ ሰብ መፍርሂት ዝነበርኪ ውርይቲ ኸተማ፡ ከመይ ኢልኪ ዀን ጠፋእኪ፡ ሕጂ እተን ደሴታት በታ መዓልቲ ምውዳቕኪ ኽንቅጥቀጣ፡ እተን ኣብ ባሕሪ ዘለዋ ደሴታት ከኣ ብመወዳእታኺ ኽስምብዳ እየን፡ ኢሎም መልቀስ ከልቅሱልኪ እዮም።
19እግዚኣብሄር ኣምላኽሲ ኸምዚ ይብል ኣሎ፡ ከምተን ሓደ እኳ ዝነብረን ዘይብለን ከተማታት ገይረ፡ ዕንውቲ ኸተማ ምስ ገበርኩኺ፡ መዓሙቝ ኣብ ልዕሌኺ ምስ ኣስራሰርኩ፡ ብዙሕ ማያት ምስ ደፈነኪ፡ 20ሽዑ ምስቶም ናብ ጕድጓድ ዝወረዱ ናይ ጥንቲ ህዝቢ ኸውርደኪ እየ። ኣባኺ ዝነብሩ ከይህሉስ፡ ምስቶም ናብ ጕድጓድ ዝወረዱ ኣብ መዓሙቝ ምድሪ ኣብ ናይ ጥንቲ ዑናታት ከስፍረኪ እየ። ኣነውን ክቡር ነገር ኣብ ምድሪ ህያዋን ክገብር እየ። 21መሰክሒ ኽገብረኪ እየ እሞ፡ ኣይክትህልውን ኢኺ። ዝደለየ እኳ እንተ ደለየኪ፡ ከቶ ንዘለኣለም ኣይክትርከብን ኢኺ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።

       ትን. ህዝቅኤል  ምዕራፍ 27            

   1ከምዚ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ከኣ መጸኒ፡ 2ኣታ ወዲ ሰብ፡ ንጢሮስ መልቀስ ኣልቅሰላ፡ 3ንጢሮስ በላ፡ ኣቲ ኣብ መእተዊ ባሕሪ እትነብሪ፡ ምስቶም ኣብ ብዙሕ ደሴታት ዘለዉ ህዝብታት ከኣ እትነግዲ፡ ከምዚ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ኣቲ ጢሮስ፡ ባዕልኺ፡ ብመልክዕ ፍጽምቲ ኣነ እየ በልኪ። 4ወሰንኪ ኣብ ልቢ ባሕሪ እዩ፡ እቶም ሃነጽትኺ ነቲ መልክዕኪ ፈጸምዎ። 5ንጐቦታትኪ ብጽሕዲ ሰኒር ሰርሕዎል ደቐል መራኽብ ክገብሩልኪ ካብ ሊባኖስ ኣእዋም ወሰዱ። 6መቕዘፊታትኪ ብስኒ ሓርማዝ ሰሊሞም፡ በቲ ኻብ ደሴታት ኪቲም ዝመጻ ኣእዋም ገበሩ። 7እቲ ንሰንደቕ ዕላማ ዝዀነኪ ጋንጽላኺ ብልሕጺ እንጣጢዕ እተገብረ ቀጢን እተጠልፈ ዓለባ ኻብ ግብጺ ነበረ። ካብ ደሴታት ኤሊሻ ሰማያዊ ሃርን ጁዅን መጋረጃኺ ነበረ። 8ኣቲ ጢሮስ፡ እቶም ዝቐዝፋልክስ ሰብ ሲዶናን ሰብ ኣርዋድን ነበሩ፡ እቶም ኣባኺ ዘለዉ ጠቢባንኪ መራሕቲ መራኽብኪ ዀኑ። 9እቶም ሽማግሌታት ጌባልን እቶም ጠቢባናን ነቲ እተሰብረ ከጣጥኡስ ኣብ ማእከልኪ ነበሩ። ኵላተን መራኽብ ባሕርን ባሕረኛታትን፡ ንግዶም ክለዋወጡኺ፡ ኣባኺ ነበሩ። 10ፋርስን ሉድን ፉጥን ኣብ ሰራዊትኪ ዓቀይትኺ ነበሩ። ዋላቱን ቍራዕ ርእስን ሰቐሉልኪ፡ ንሳቶም ጌጽ ሃቡኺ። 11ደቂ ኣርዋድን ሰራዊትክን ኣብ ከባቢ ቐጽርኺ፡ ሰብ ገማድያ ኸኣ ኣብ ግምብታትኪ ነበሩ፡ ዋላቱኦም ኣብ ወሰነወሰን መናድቕኪ ሰቐሉ፡ ንመልክዕኪ ፈጸምዎ። 12ተርሲስ ስለ ብዙሕ ዓይነት ሃብቲ ምሳኺ ትነግድ ነበረት፡ ብብሩርን ሓጺንን ቈርቈሮን ዓረርን ገይራ ዋጋኡ ፈደየትኪ። 13ያዋንን ቱባልን ሜሴክን ነጋዶኺ ነበሩ፡ ናብ ዕዳጋኺ ባሮትን ኣቓሑ ነሃስን ኣምጽኡ። 14ካብ ቤት ቶጋርማ በፍራስን በፍራስ ውግእን በባቕልን ገይሮም ለውጢ ነግድኺ ሃቡኺ። 15ደቂ ዴዳን ኣባኺ ነገዱ፡ ብዙሓት ደሴታት ብኢድኪ ነግዶም ኣመሓላለፉ፡ ስኒ ሓርማዝን ዝበን ከኣ ገጽ በረኸት ኣምጽኡልኪ። 16ስለ ብዝሒ ግብሪ ብልሓትኪ ሶርያ ምሳኺ ነገደት፡ ብክቡር ዕንቍን ብጁዅን ብተጠልፈ ዓለባን ብልሕጺ እንጣጢዕ እተገብረ ዓለባን ብዘዓጐልን ብሮቢኖስን ገይሮም፡ ለውጢ ነግድኺ ሃቡኺ። 17ይሁዳን ሃገር እስራኤልን ምሳኺ ነገዱ፡ ንዕዳጋኺ በቲ ኻብ ምኒት ዝመጸ ስርናይን ብሕብስትን መዓርን ዘይትን ቅዲትን መልእዋ። 18ደማስቆ ብብዝሒ እትዋትክን ስለ እቲ ብዙሕ በብዓይነቱ ዝዀነ ሃብትን ብነቢት ካብ ሄልቦንን ብጸምርን መናግድኺ ነበረት። 19ዌዳንን ያዋንን ሙዛልን ንዕዳጋኺ ብስሩሕ ሓጺንን ሽቱን ቀረፋን ኣዓመሩ። 20ዴዳን ብኽቡር መረሻታት ምሳኺ ነግዳ ገበረት። 21ዓረብን ኵላቶም መሳፍንቲ ቄዳርን ብኢድኪ ነገዱ። ምሳኺ ኽነግዱስ ገነሽልን ደዓውልን ኣጣልን ኣምጽኡ። 22እቶም ነጋዶ ሰባን ራዕማን መናግድኺ ነበሩ። ብብሉጽ ቀመምን ብኽቡር ኣእማን ዘበለን ብወርቅን ተላዋወጡኺ። 23ካራንን ካኔን ኤድንን፡ ነጋዶ ሳባን ኣሶርን ኪልማትን ነጋዶኺ ነበሩ። 24ብብሉጽ ኣልባሳትን ብሰማያዊ ሃርን ብወርቀዘቦ እተጠልፈ ባርኖስን፡ ብኦም ሊባኖስ እተገብረን በግማድ እተኣሰረን፡ ክቡር ዓለባ ዝመልአ ሳጻውን ገይሮም ምሳኺ ይነግዱ ነበሩ። 25መራኽብ ተርሲስ ከኣ ቃፍላይ ነግድኺ ነበሩ። መላእኪ እሞ ኣብ ልቢ ባሕሪ ኣዚኺ ኸበርኪ።
26እቶም ዝቐዝፉልኪ ናብ ብዙሕ ማያት ወሰዱኺ፡ ንፋስ ምብራቕ ከኣ ኣብ ልቢ ባሕሪ ሰበረኪ። 27ሃብትኽን መነጋገድያኽን መለዋወጢኽን ባሕረኛታትክን፡ መራሕቲ መራኽብክን፡ መጣጣእቲ ስቡርክን ነጋዶኽን ኣባኺ ዘለዉ ዅሎም ጭፍራ ውግእክን፡ እቶም ኣባኺ ዘለዉ ዅሎም ሰብኡትን በታ መዓልቲ ውድቀትኪ ኣብ ልቢ ባሕሪ ኽወድቁ እዮም። 28ካብ ኣውያት እቶም መራሕቲ መራኽብኪ እተላዕለ እቶም ኣብ ከባቢኺ ዘለዉ ራዕራዕ ክብሉ እዮም። 29ኵላቶም ብመቕዘፍ ዝቐዝፉን ባሕርኛታትን ኵላቶም መራሕቲ መራክብን ካብ መራኽቦም ክወርዱ ኣብ ምድሪ ኸኣ ክቐሙ እዮም። 30ብዛዕባኺ ድምጾም ከስምዑ፡ ኣምሪሮም ድማ ክበኽዩልኪ እዮም። ኣብ ርእሶም ሓመድ ክንስንሱ፡ ኣብ ሓመዅስቲውን ጠንቀላዕላዕ ክብሉ እዮም። 31ርእሶም ክላጽዩልኪ፡ ከሊ ኽዕጠቑልኪ፡ ብምረት ነፍሶም መሪር ብኽያት ክበኽዩልኪ እዮም። 32እናሕዘንዘኑ ብቝዝማ፡ ከምታ ኣብ ማእከል ባሕሪ ትም ዘበለዋ፡ ከም ጢሮስ መን ነበረት፡ኢሎም ዝቝዝሙልኪ እዮም። 33ኣቓሑ ነግድኺ ኻብ ባሕሪ ምስ ወጸ፡ ንብዙሓት ህዝብታት ኣጽገብክዮም። በቲ ብዙሕ ሃብትኽን ነግድኽን ንነገስታት ምድሪ ኣሃብተምክዮም። 34በታ ኣብ ባሕሪ፡ ኣብቲ ዓሚቝ ማያት እተሰበርክላ ግዜ፡ ነግድኽን ኵሉ ህዝብኽን ኣብ ማእከልኪ ወደቐ። 35እቶም ኣብ ደሴታት ዝነብሩ ዅሎም ብኣኺ ኽስክሑ፡ ነገስታቶም ከኣ ክርዕዱ እዮም፡ ገጾምውን ክኽፋእ እዩ። 36እቶ ነጋዶ ህዝብታት ክፋጽዩልኪ እዮም። መሰክሒ ዀንኪ፡ ንዘለኣለም ኣይክትህልውን ኢኺ።

       ትን. ህዝቅኤል  ምዕራፍ 28            

   1ከምዚ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ከኣ መጸኒ፡ 2ኣታ ወዲ ሰብ፡ ንመስፍን ጢሮስ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኢልካ ንገሮ፡ ልብኻ ተዓብዩስ፡ ኣነ ኣምላኽ እየ፡ ኣብ ማእከል ባሕሪ ድማ ኣብ ዝፋን ኣምላኽ ተቐሚጠ ኣሎኹ፡ ትብል ኣሎኻ እሞ፡ ምንም እኳ ንልብኻ ኸም ልቢ ኣምላኽ እንተ ገበርካዮ፡ ንስኻ ሰብ ኢኻ እምበር፡ ኣምላኽ ኣይኰንካን። 3እንሆ፡ ካብ ዳንኤል ያኢ ንስኻ ትጠብብ፡ ኵሉ ምስጢርውን ኣይሕብኣካን እዩ። 4ብጥበብካን በእምሮኻን ሃብቲ ኣጥሬኻ፡ ኣብ መዛግብካ ድማ ወርቅን ብሩርን ኣከብካ። 5በቲ ዓብዪ ጥበብካን ብነግድኻን ሃብትኻ ኣብዛሕካ። ብምኽንያት ሃብትኻ ኸኣ ልብኻ ተዓበየ። 6ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ንልብኻ ኸም ልቢ ኣምላኽ ስለ ዝገበርካ፡ 7እንሆ፡ ስለዚ ኣነ ኻብ ህዝብታት ዝጭክኑ ጓኖት ከተንስኣልካ እየ፡ ንሳቶም ከኣ ኣብቲ ጽባቐ ጥበብካ ሰይፎም ክመልሑ፡ ግርማኻ ድማ ከርክሱ እዮም። 8ናብ ጕድጓድ ክደፉኡኻ እዮም፡ ንስኻውን ከምቲ እቶም ኣብ ልቢ ባሕሪ ተወጊኦም ዝሞቱላ ሞት ክትመውት ኢኻ። 9ኣብ ቅድሚ እቲ ቐታሊኻ ደዀን፡ ኣነ ኣምላኽ እየ፡ ክትብል ኢኻ፡ንስኻስ ኣብ ኢድ እቲ ወጋኢኻ ሰብ ኢኻ እምበር፡ኣምላኽ ኣይኰንካን። 10ኣነ ተዛሪበ እየ እሞ፡ ንስኻ ከምቲ ኣማውታ ዘይግዙራት፡ ብኢድ ጓኖት ክትመውት ኢኻ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
11ከምዚ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ መጸኒ፡ 12ኣታ ወዲ ሰብ፡ ንንጉስ ጢሮስ ብድጕዓ ቘዝመሉ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኢልካውን ንገሮ፡ ንስኻ ጥበብ ዝመልኣካ፡ ፍጹም ዝመልክዕካ ብሉጽ ማሕተም ነበርካ። 13ንስኻ ኣብ ኤደን ገነት እግዚኣብሄር ነበርካ። በብዝዓይነቱ ክቡር እምኒ፡ ሰርድዮስ፡ ቶጳዝዮን፡ ከልቄድዮን፡ ክሪሶሊት፡ ሰርዶንክስን፡፡ ያስጲስ ሰፊሮስ፡ ክሪሶጵራስ፡ ስመራግዶስን ወርቅን ተኸዲንካ ነበርካ። እቲ ከበሮኻን ዕንዱርካን ምሳኻ ነበረ፡ በታ እተፈጠርካላ መዓልቲ ተዳለወ። 14ንስኻ ዘጽልል ቅቡእ ኪሩብ ነበርካ፡ ኣነ ኣብቲ ቅዱስ ከረን ኣምላኽ ኣስፈርኩኻ፡ ኣብ ማእከል እቲ ኣእማን ሓዊ ተመላለስካ። 15ካብቲ እተፈጠርካላ መዓልቲ ጀሚርካ ኽሳዕ እቲ ኣበሳ እተረኸበካ ግዜ ብመገድካ ፍጹም ነበርካ። 16ብብዝሒ ነግድኻ ውሽጥኻ ብዓመጻ መልአ እሞ ሓጢኣት ገበርካ። ስለዚ፡ ኣታ እተጽልል ኪሩብ፡ ካብቲ ኸረን ኣምላኽ ከም ርኹስ ደርቤኹኻ፡ ካብ ማእከል እቲ ኣእማን ሓዊ ኸኣ ኣጥፋእኩኻ። 17ብምኽንያት መልክዕካ ልብኻ ተዓበየ፡ ብኽብረትካ ድማ ጥበብካ ኣባላሾኻ። ኣብ ምድሪ ጻሕ ኣበልኩኻ፡ክርእዩኻስ ኣብ ቅድሚ ነገስታት ወፌኹኻ። 18ብብዝሒ ኣበሳኻን ብዘይ ቅንዕና ዝነገድካዮ ነግድኻን ንመቓድስካ ኣርከስካዮ። ስለዚ ካብ ውሽጥኻ ሓዊ ኣውጻእኩ፡ ንሳውን በልዓትካ። ኣብ ቅድሚ ዅላቶም ዝርእዩኻ ድማ ኣብ ምድሪ ሓመዅስቲ ገበርኩኻ። 19እቶም ዝፈልጡኻ ዘበሉ ዅሎም ህዝብታት ብኣኻ ኽስክሑ እዮም። መሰክሒ ዀንካ፡ ድሕርዚ ኸኣ ከቶ ኣይክትህሉን ኢኻ።
20ከምዚ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ መጻኒ፡ 21ኣታ ወዲ ሰብ፡ ገጽካ ናብ ሲዶን ኣቢልካ ምለስ እሞ ተነበየላ። 22እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኢልካ ንገራ፡ ኣቲ ሲዶን፡ እኔኹ ኣብ ርእስኺ ኣሎኹ። ኣብ ማእከልኪ ኸኣ ክኸብር እየ።ፍርደይ ኣብኣ ምስ ፈጸምኩ ኣብኣውን ምስ ተቐደስኩ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክፈልጡ እዮም። 23ፌራን ደም ኣብ ኣደባባያን ክሰደላ እየ፡ በቲ ኣብ ከባቢኣ ዘሎ ሰይፊ ኸኣ እቶም ውጉኣት ኣብ ማእከላ ጻሕ ክብሉ እዮም እሞ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክፈልጡ እዮም። 24ድሕርዚ ንቤት እስራኤል ኣብ ኵሎም እቶም ዘቃልልዎም ጐደቦታቶም፡ዝወግእ እሾዅ ወይስ ዘሕምም ተዀርባ ኣይክህሉን እዩ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምኳነይ ከኣ ክፈልጡ እዮም።
25እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ንቤት እስራኤል ካብቶም ኣብ ማእከሎም ፋሕ ኢሎምዎም ዝነበሩ ህዝብታት ምስ ኣከብክዎም፡ ሽዑ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ ህዝብታት ኣባታቶም ክቕደስ፡ ንሳቶም ድማ ኣብታ ንያቆብ ባርያይ ዝሃብክዋ ሃገር ክነብሩ እዮም። 26ኣብኣ ብህድኣት ክነብሩ፡ ኣባይቲ ኸኣ ክሰርሑ፡ ኣታኽልቲ ወይኒ ድማ ክተኽሉ እዮም። ኣነ ኣብቶም ኣብ ዙርያኦም ኰይኖም ዘቃልልዎም ዘለዉ ፍርዲ ምስ ፈጸምኩ፡ ሽዑ ብህድኣት ክነብሩ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምዃነይውን ክፈልጡ እዮም።

       ትን. ህዝቅኤል  ምዕራፍ 29            

   1ኣብ ዓስረይቲ ዓመት፡ ኣብታ ዓስረይቲ ወርሒ፡ ካብታ ወርሒውን ኣብ መበል ዓሰርተው ክልተ መዓልቲ ኸምዚ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር መጻኒ፡ 2ኣታ ወዲ ሰብ፡ ገጽካ ናብ ፈርኦን ንጉስ ግብጺ ኣቢልካ ምለስ። ኣብ ልዕሊኡን ኣብ ልዕሊ ዅላ ግብጽን ከኣ ተነበ፡ 3ተዛረብ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኢልካ ንገር፡ ኣታ ፈርኦን ንጉስ ግብጺ፡ ኣብ ማእከል ርባታትካ እትድቅስ ገዚፍ ገበል፡ ንስኻ፡ እቲ ርባይ ናተይ እዩ፡ ኣነ እየ ንርእሰይ ዝገበርክዎ፡ እትብል ዘሎኻ፡ እኔኹ ተለዓልኩኻ። 4ኣብ ምንጋጋኻ ዓንቃሪቦ ኽገብር፡ ንዓሳታት ርባታትካ ድማ ኣብ ቅራፍካ ኸጥብቖም እየ፡ ምስ ኵሉ እቲ ኣብ ቅራፍካ ጠቡቑ ዘሎ ዓሳ ኸኣ ካብ ማእከል ርባታትካ ኸውጽኣካ እየ። 5ንኣኻን ንዅሉ ዓሳ ርባታትካን ኣብ በረኽ ኽድርብየካ፡ ኣብ መሮር ክትወድቕ፡ ኣይክትእረን ኣይክትእከብን ኢኻ፡ ኣነ ንኣራዊት ምድርን ነዕዋፍ ሰማይን ምግቢ ገይረ ወፌኹኻ። 6እቶም ኣብ ግብጺ ዝነብሩ ዅሎም ንቤት እስራኤልሲ ምርኵስ ሻምብቆ ዀይኖምዎም እዮ እሞ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክፈልጡ እዮም። 7ብኢዶም እንተ ሓዙኻ፡ ተሰበርካ፡ ንኵሉ መንኵቦም ከኣ ወጋእካ፡ እንተ ተጸጎዑኻ ተሰባበርካ ብጐድኖም ድማ ሰንከል ኣበልካዮም። 8ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እንሆ፡ ኣነ ሰይፊ ኣብ ልዕሌኻ ኸምጽኣልካ፡ ሰብን እንስሳን ድማ ካባኻ ኸጽንቶም እየ። 9እቲ ርባ ናተይ እዩ፡ ኣነ ኸኣ እየ ዝገበርክዎ፡ ኢሉ እዩ እሞ፡ ሃገር ግብጺ በረኻን ምድረ በዳን ክትከውን እያ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ድማ ክፈልጡ እዮም። 10ስለዚ እኔኹ፡ ኣባኻን ኣብ ርባታትካን ክለዓለካ፡ ንሃገር ግብጺ ኻብ ሚግዶል ክሳዕ ሴኔ ኽሳዕ ዶብ ኢትዮጵያ ኸኣ ምድረ በዳን በረኻን ክገብራ እየ። 11እግሪ ሰብ ብእእ ኣይክሓልፍን፡ እግሪ እንስሳ ብኣእ ኣይክሓልፍን እዩ፡ ነርብዓ ዓመትውን ዝነብራ የብላን። 12ንሃገር ግብጺ ኣብ ማእከል እተን ዝባደማ ሃገራት በረኻ ኽገብራ እየ። ከተማታት ነርብዓ ዓመት በረኻ ክዀና እየን። ንግብጻውያን ከኣ ኣብ ማእከል ህዝብታት ፋሕ ከብሎም፡ ኣብ ኵሉ ሃገራትውን ክዘርዎም እየ።
13ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ድሕሪ ኣርብዓ ዓመት ነቶም ግብጻውያን ካብ ማእከል እቶም ተዘርዮምዎም ዘለዉ ህዝብታት ክኣኻኽቦም እየ። 14ንምርኮ ግብጺ ኽመልሶም፡ ናብታ እተወልዱላ፡ ናብ ሃገር ጳጥሮስ ክመልሶም እየ። ኣብኣውን ለጠቕ ዝበለት መንግስቲ ክዀኑ እዮም። 15ካብ ካልኦት መንግስትታት ለጠቕ ክትብል፡ መሊሳ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ህዝብታት ኣይክትዕበን እያ። መሊሶም ኣብ ህዝብታት ከይገዝኡስ፡ ከውሕዶም እየ። 16ድሕርዚ ቤት እስራኤል ብኣታቶም ይክኣምኑን እዮም፡ ናባታቶም ቍሊሕ እንተ በሉ ግና፡ ኣሰባኦም ከዘክርዎም እዮም፡ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምዃነይ ከኣ ክፈልጡ እዮም።
17ኣብ መበል ዕስራን ሾብዓተን ዓመት፡ ኣብታ ቐዳመይቲ ወርሒ፡ ካብታ ወርሒውን ኣብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ኸምዚ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር መጸኒ፡ 18ኣታ ወዲ ሰብ፡ ነቡካድነጾር ንጉስ ባቢሎን፡ ንጢሮስ ክሕዝ ኢሉ፡ ንጭፍራኡ ብርቱዕ ጻዕሪ ኣጽዓሮም፡ ግናኸ በቲ ንጢሮስ ክሕዝ ኢሉ ዝጸዓሮ ጻዕሪ ንሱ ወይስ ጭፍራኡ ገለ ደመወዝ እኳ ኣይረኸቡን። 19ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እንሆ፡ ንነቡካደነጾር ንጉስ ባቢሎን ሃገር ግብጺ ኽህቦ እየ። ንሱ ሃብታ ኽወስድ፡ዝዝረፍ ክዝርፍ፡ዝዝመት ከኣ ክዘምት እዩ፡ እዚ ድማ ንጭፍራኡ ደመወዝ ክኸውን እዩ። 20ንኣይ እዮም ዝገበርዎ እሞ፡ ጻማ ጻዕሩ ሃገር ግብጺ ሃብክዎ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
21በታ መዓልቲ እቲኣ ንቤት እስራኤል ቀርኒ ኸብቍል፡ ንኣኻ ድማ ኣብ ማእከሎም እተኸፍተ ኣፍ ክህበካ እየ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ከኣ ክፈልጡ እዮም።

       ትን. ህዝቅኤል  ምዕራፍ 30           

   1ከምዚ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ከኣ መጸኒ፡ 2-3ኣታ ወዲ ሰብ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኢልካ ተነበ በልውን፡ መዓልቲ ቐሪባ፡ እወ፡ መዓልቲ እግዚኣብሄር ቀሪባ ኣላ፡ መዓልቲ ደበና፡ግዜ ኣህዛብ ክኸውን እዩ እሞ፡ ኣየ፡ ተካሊት መዓልቲ፡ ኢልኩም ዋይዋይ በሉ። 4ሰይፊ ኣብ ግብጺ ኽመጽእ እዩ፡ እቶም ውጉኣት ኣብ ግብጺ ምስ ወደቑ፡ ሃብታ ምስ ተወስደ፡ መሰረታውን ምስ ፈረሰ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ብርቱዕ ፍርሃት ክኸውን እዩ። 5ኢትዮጵያን ፉጥን ሉድን ኵሎም ሕውስዋስ ህዝብን፡ ኩብን ደቂ እታ ኪዳን ዝኣተወት ሃገርን ምሳታቶም ብሰይፊ ኽወድቁ እዮም።
6እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እቶም ንግብጺ ዝድግፉ ኽወድቁ እዮም፡ እቲ ዕቡይ ሓይላ ኸኣ ክዋረድ እዩ። ካብ ሚግዶል ጀሚሩ ኽሳዕ ሴኔ ኣብኣ ብሰይፊ ኽወድቁ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ 7ኣብ ማእከል እተን ዝባደማ ሃገራት ከኣ ክባድሙ እዮም፡ ኸተማታቶም ድማ ኣብ ማእከል እተን ዝፈረሳ ከተማታት ክዀና እየን። 8ኣብ ግብጺ ሓዊ ምስ ኣጐድኩ፡ ደገፍታ ዘበሉ ዅሎም ከኣ ምስ ተሰባበሩ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምዃነይ ክፈልጡ እዮም። 9በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ነታ ደሓን ኣሎኹ እትብል ኢትዮጵያን ኸሰምብድዋስ፡ ልኡኻት ብመርከብ ካብ ቅድሚ ገጸይ ክወጹ እዮም። እንሆ፡ ይመጽእ ኣሎ እሞ፡ ከምቲ ንመዓልቲ ግብጺ ዝዀነ ፍርሃት ክዀኖም እዩ።
10እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ብኢድ ነቡካድነጾር ንጉስ ባቢሎን ነቲ ብዙሕ ህዝቢ ግብጺ ኸጥፍኦ እየ። 11ንሱን ህዝቡ ኸኣ ምስኡን፡ ካብቶም ህዝብታት ኣዝዮም ዝጭክኑ፡ ነታ ሃገር ከጥፍእዋ ኽወጹ እዮም። ሰይፎም ንግብጺ ኽመልሑላ፡ ነታ ሃገርውን ብቕቱላት ክመልእዋ እዮም። 12ነቲ ርባታት ከንጽፎ፡ ነታ ሃገር ድማ ናብ ኢድ ሕሱማት ሰብ ክሸጣ እየ። ነታ ሃገርን ኣብኣ ዘሎ ዅሉን ብኢድ ጓኖት ገይረ ኸባድማ እየ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ እተዛረብኩ።
13እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ንጣኦታት ከጥፍኦም፡ ንጣኦታት ከንቱ ኻብ ኖፍ ክጥርሶም እየ። ድሕርዚ ኻብ ሃገር ግብጺ መስፍን ኣይክኸውንን እዩ፡ ናብ ሃገር ግብጺ ኸኣ ፍርሃት ከምጽእ እየ። 14ንጳጥሮስ ከባድማ፡ ኣብ ጾዓን ሓዊ ኽኣጉድ፡ ኣብ ኖ ኸኣ ፍርዲ ኽገብር እየ። 15ነድረይ ከኣ ናብ ሲና፡ እታ ዕርዲ ግብጺ፡ ክኽዑ፡ ንህዝቢ ኖ ድማ ከጽንቶ እየ። 16ኣብ ግብጺ ሓዊ ኽኣጕድ እየ፡ ሲን ክትጭነቕ እያ፡ ኖ ኽትጠፍእ እያ፡ ንኖፍ ከኣ ጸላእቲ ብመዓልቲ ኽሕዝዋ እዮም። 17ኣጕባዝ ኣቤንን ፊቤሴትን ብሰይፊ ኽወድቁ እዮም፡ ንሳተን ከኣ ክማረኻ እየን። 18ኣርዑት ግብጺ ኣብኣ ምስ ሰበርኩ፡ ሓበን ሓይላውን ምስ ተጠረሰ፡ ኣብ ታህፋኔስ መዓልቲ ኽትጽልምት እያ። ደበና ኸጐልብባ እዩ፡ ኣዋልዳ ድማ ክማረኻ እየን። 19ከምዚ ገይረ ኣብ ግብጺ ፍርዲ ኸፈርድ እየ፡ ንሳቶምውን እግዚኣብሄር ምዃነይ ክፈልጡ እዮም።
 20ኣብ መበል ዓሰርተው ሓደ ዓመት፡ ኣብታ ቐዳማይቲ ወርሒ፡ ካብታ ወርሒውን ኣብ ሳብዓይቲ መዓልቲ ኸምዚ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር መጸኒ፡ 21ኣታ ወዲ ሰብ፡ ንቕልጽም ፈርኦን ንጉስ ግብጺ ሰበርክዋ፡ እንሆ ድማ፡ ሰይፊ ንምሓዝ ምእንቲ ኽትድልድል፡ዝሰፋ፡ ፈውሲ ገይረ ኸኣ ብዓለባ ዝዝንና የልቦን። 22ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ንፈርኦን ንጉስ ግብጺ ኣብ ርእሱ ኣሎኹ፡ ነተን ቀላጽሙ፡ ነታ ብርትዕትን ነታ ስብርትን፡ ክሰብረን፡ ነቲ ሰይፊ ኸኣ ካብ ኢዱ ኸውድቖ እየ። 23ነቶም ግብጻውያን ኣብ ማእከል ህዝብታት ክዘርዎም፡ ኣብ ኵለን ሃገራት ከኣ ፋሕ ከብሎም እየ። 24ንቐላጽም ንጉስ ባቢሎን ከበርትዐን፡ ሰይፈይ ድማ ኣብ ኢዱ ኸትሕዞ እየ፡ ንቐላጽም ፈርኦን ግና ክሰብረን እየ፡ ንሱ ድማ ከምቲ ንሞት እተወግአ ሰብኣይ ዝቝንዞ፡ ኣብ ቅድሚኡ ክቝንዞ እዩ። 25ንቐላጽም ንጉስ ባቢሎን ከበርትዐን እየ፡ ቀላጽም ፈርኦን ግና ዘርጋሕ ኢለን ክወድቃ እየን። ንሰይፈይ ኣብ ኢድ ንጉስ ባቢሎን ምስ ኣትሓዝክዎ፡ ንሱውን ኣብ ሃገር ግብጺ ማሕማሕ ምስ ኣበሎ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክፈልጡ እዮም። 26ነቶም ግብጻውያን ኣብ ማእከል ህዝብታት ክዘርዎም፡ ኣብ ኵለን ሃገራት ከኣ ፋሕ ከብሎም እየ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ከኣ ክፈልጡ እዮም።

       ትን. ህዝቅኤል  ምዕራፍ 31            

   1ኣብ መበል ዓሰርተው ሓደ ዓመት፡ ኣብታ ሳልሰይቲ ወርሒ፡ ካብታ ወርሒውን ኣብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ኸምዚ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር መጸኒ፡ 2ኣታ ወዲ ሰብ፡ንፈርኦን ንጉስ ግብጽን ነቲ ብዙሕ፡ ብዕቤትካ ንመን ትመስል፡በሎ፡ 3እንሆ፡ ኣሶር ጨናፍሩ ዝጽቡቕ፡ ጽላሉ ዝዕሙር፡ ቍመቱ ዝነዊሕ ኦም ሊባኖስ ነበረ። ጫፉ ኸኣ ኣብ ማእከል ዕሙር ጨናፍር ነበረ። 4ማያት መገቦ፡ መዓሙቝ ኣዕበዮ፡ ውሒዝ ኣብ ዙርያ እቲ ተተኺልዎ ዘሎ ቦታ ወሓዘ፡ መሳኑኡ ድማ ናብ ኵሉ ኣእዋም መሮር ሰደደ። 5ስለዚ ቝመቱ ካብ ኵለን ኣእዋም መሮር ተመልመለ፡ ሳላ እቲ ዘዐምሮ ዝነበረ ብዙሕ ማያት፡ ጨናፍሩ በዝሐ፡ ዘፋፍሩ ነውሐ። 6ኣብቲ ጨናፍሩ ዅለን ኣዕዋፍ ሰማይ ኣባይተን ሰርሓሉ፡ ኣብ ትሕቲ ዘፋፍሩ ድማ ኵሎም እንስሳ መሮር ተዋለዱሉ፡ ኣብ ጽላሉ ኸኣ ኵሎም ዓበይቲ ህዝብታት ይቕመጡሉ ነበሩ። 7ሱሩ ኣብ ብዙሕ ማያት ነበረ እሞ፡ ብዕቤቱን ብምናሕ ጨናፍሩን ጽቡቕ ነበረ። 8ኣብ ገነት ኣምላኽ ዘሎ ኣእዋም ሊባኖስ ክኸውሎ ኣይከኣለን፡ ጽሕድታት ነቲ ጨናፍሩ ኣይተኻኸሎን፡ ጸሊሞ እኳ ኸም ጨናፍሩ ኣይነበረን፡ ኣብ ገነት ኣምላኽ ካብ ዘሎ ኦምሲ ሓንቲ እኳ ብጽባቐ ኣይተመዓራረዮን። 9ኣነ ብብዝሒ ጨናፍሩ ጽቡቕ ገበርክዎ፡ ኣብ ገነት ኣምላኽ ዘለዋ ኣእዋም ኤድን ከኣ ኵላተን ቀንኣሉ።
10ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ብቝመት ክብ ስለ ዝበልካ፡ ጫፉ ኣብ ማእከል ዕሙር ጨናፍር ስለ ዝገበረ፡ ብምኽንያት ቍመቱ ልቡ ስለ እተዓበየ፡ 11ኣነ ኣብ ኢድ እቲ ሓያል ናይ ህዝብታት፡ ከም ድሌቱ ኽገብሮስ፡ መጦኽዎ። ብሰሪ ረሲእነቱ ደርቤኽዎ። 12እቶም ጓኖት፡ ናይ ህዝብታት ጨካናት፡ ቈረጽዎን ደርበይዎን። ጨናፍሩ ኣብ ኣኽራንን ኣብ ኵሉ ርባርባን ወደቐ፡ ጨንገፉ ኣብ ኵሉ ኣጻድፍ እታ ሃገር ተደርቀመ። ኵሎም ህዝብታት ምድሪ ኸኣ ካብ ጽላሉ ተዛሕጡ፡ሓደግዎውን። 13ኣብ ልዕሊ እቲ ውዱቕ ጕንዲ ዅለን ኣዕዋፍ ሰማይ ተቐመጣ፡ ኵሎም እንስሳ መሮር ድማ ኣብ ጨንገፉ ሰፈሩ። 14እተን ኣብ ማይ እተተኽላ ዘበላ ኣእዋም ብቝመተን ከይዕበያን፡ ጫፈን ኣብ ማእከል ዕሙር ጨናፍር ዝወርዱ ዘለዉ ውሉድ ሰብ ንመዓሙቝ ምድሪ፡ ንሞት ተወፍዮም እዮም እሞ፡ እተን ማያት ዝሰትያ ዘበላ ዅለን ሓያላት ብትዕቢት ከይቈማስ፡ እዚ ዀነ።
15እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ በታ ንሱ ናብ ሲኦል ዝወረደላ መዓልቲ ሰብ ከም ዝቝዝሙ ገበርኩ። ብሰሩ ንመዓሙቝ ኣጐልበብኩ፡ ንወሓይዙ ኸልከልኩ፡ ዓበይቲ ማያት ተዓግተ፡ ብሰሩ ንሊባኖስ ኣጸለምክዎ፡ ብሰሩ ዅለን ኣእዋም መሮር ሓዘን ኰና። 16ምስቶም ናብ ጕድጓድ ዝወርዱ ናብ ሲኦል ምስ ኣውረድክዎም፡ ካብ ደሃይ ምውዳቑ እተላዕለ ንህዝብታት ራዕራዕ ኣበልክዎም። ኵላተን እተን ናይ ሊባኖስ ሐሕሩያትን ጸጽቡቓትን ኣእዋም ኤድን፡ ማይ ዝሰትያ ዝነበራ ዘበላ ኵለን፡ ኣብቲ መዓሙቝ ምድሪ ተጸናንዓ። 17ንሳቶም ድማ፡ ናብቶም ቅልጽሙ ዀይኖም ኣብ ማእከል ህዝብታት ኣብ ጽላሉ ተቐሚጦም ዝነበሩ ብሰይፊ እተቐትሉ፡ ምስኡ ናብ ሲኦል ወረዱ።
18እምበኣረይ፡ ብኽብረትን ዕቤትን ኣብ ማእከል ኣእዋም ኤድንሲ ንመን ኢኻ እትመስል፡ከምኡ ኸኣ ንስካ ምስተን ኣእዋም ኤድን ናብ መዓሙቝ ምድሪ ኽትድርበ ኢኻ፡ ኣብ ማእከል እቶም ዘይተገዝሩ ኣብ ማእከል እቶም ሰይፊ ዝቐተሎምውን ክትድቅስ ኢኻ። እዚ ፈርኦን ንኵሎም ህዝቡን እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።

       ትን. ህዝቅኤል  ምዕራፍ 32            

   1ኰነ ድማ፡ ኣብ መበል ዓሰርተው ክልተ ዓመት፡ ኣብታ መበል ዓሰርተው ክልተ ወርሒ፡ ካብታ ወርሒውን ኣብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ኸምዚ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር መጸኒ፡ 2ኣታ ወዲ ሰብ፡ ንፈርኦን ንጉስ ግብጺ ድጕዓ መልቀስ ደጕዓሉ፡ በሎውን፡ ንስኻ ኣብ ማእከል ህዝብታት ከም ሽደን ኣንበሳ፡ ኣብ ባሕርታት ከኣ ከም ገበል ትመስል ነበርካ፡ ኣብ ርባታትካ ጨንደላሕ በልካ፡ በእጋርካ ማያት ኣናወጽካ፡ ነቲ መሳኑ ድማ ዘርግካዮ። 3እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ብእኩባት ብዙሓት ህዝብታት ገይረ ኣነ መርበበይ ክዝርግሓልካ እየ፡ ንሳቶም ከኣ ብመርበበይ ክስሕቡኻ እዮም። 4ኣብ ልዕሊ ምድሪ ጻሕ ከብለካ፡ ኣብ መሮር ክድርብየካ፡ ኵለን ኣዕዋፍ ሰማይ ከዕስለልካ እየ። ኣራዊት ኵላ ምድሪ ድማ ብኣኻ ኸጽግቦም እየ። 5ንስጋኻ ኣብ ልዕሊ ኣኽራን ከንብሮ፡ ንሽንጭሮታት ከኣ በቲ ኣሰከሬንካ ኽመልኦ እየ። 6ነታ እትምሕሰላ ዘሎኻ ምድሪ ኽሳዕ ኣኽራን ብደምካ ኸስትያ እየ፡ እቲ ርባታት ከኣ ብኣኻ ክመልእ እዩ። 7ከጥፍኣካ ኸሎኹ፡ ንሰማያት ከጐልብቦ፡ ንኸዋኽብቱ ኸኣ ከጸልምቶም፡ ንጸሓይ ብደበና ክኽውላ እየ፡ ወርሒውን ብርሃና ኣይክትህብን እያ። 8ንዅሉ ብርሃናት ሰማይ ብሰርኻ ኸጸልምቶ፡ ኣብ ሃገርካውን ጸልማት ክዝርግሕ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። 9ወረ ጥፍኣትካ ናብ ህዝብታት፡ ናብ ዘይትፈልጦ ሃገራት ምስ ኣብጻሕኩ፡ ልቢ ብዙሓት ኣህዛብ ከሕዝን እየ። 10ንሰይፈይ ኣብ ቅድሚኦም ማሕማሕ ከብሎ ኸሎኹ፡ ንብዙሕት ህዝብታት ብኣኻ ኽሰክሖም እየ፡ ነገስታቶም ድማ ኣዝዮም ክርዕዱ እዮም። ብመዓልቲ ውድቀትካ ኸኣ ነፍሲ ወከፍ ኵሉ ግዜ ስለ ህይወቱ ራዕራዕ ክብል እዩ። 11ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ሰይፊ ንጉስ ባቢሎን ክለዓለካ እዩ። 12ነቲ ብዙሕ ህዝብኻ ብሰይፊ እቶም ሓያላት ከውድቖ እየ። ንሳቶም ኵላቶም ካብ ህዝብታት ዝጭክኑ እዮም። ንሓበን ህዝቡ ኸኣ ክጠፍእ እዩ። 13ነቶም ኣብ ጥቓ ብዙሕ ማያት ዝነበሩ ዅሎም እንስሳኡ ኸጥፍእ እየ። ድሕርዚ እግሪ ሰብ ኣይክዘርጎን ሸዀና እንስሳውን ኣይክዘርጎን እዩ። 14ሽዑ ንማያቶም ከጽርዮ እየ፡ ንርባታቶም ድማ ከም ዘይቲ ኸውሕዞ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። 15ነታ ሃገር ግብጺ በረኻ ምስ ገበርክዋ፡ እቲ ነታ ሃገር መሊእዋ ዝነበረ ምስ ወቓዕክዎም፡ሽዑ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክፈልጡ እዮም። 16እቲ ዝድጓዕ ድጕዓ መልቀስ እዚ እዩ። ኣዋልድ ህዝብታት ከልቅሳኦ፡ ብዛዕባ ግብጽን እቲ ብዙሕ ህዝባን ከልቅሳላ እየን፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
17ኰነ ኸኣ፡ ኣብ መበል ዓሰርተው ክልተ ዓምት፡ ካብታ ወርሒ ኸኣ ኣብታ መበል ዓሰርተው ሓሙሽተ መዓልቲ ኸምዚ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር መጸኒ፡ 18ኣታ ወዲ ሰብ፡ ነቲ ብዙሕ ህዝቢ ግብጺ ኣልቅሰሉ፡ ንእኣን ነተን ኣዋልድ ክቡራት ህዝብታትን ምስቶም ናብ ጕድጓድ ዝወርዱ ናብ መዓሙቝ ምድሪ ኣውርደን። 19ብጽባቐስ ካብ መን ትበልጺ፡ውረዲ፡ምስቶ ምዘይግዙራት ከኣ ደቅሲ። 20ኣብ ማእከል እቶም ብሰይፊ እተቐትሉ ኽወድቁ እዮም። እቲ ሰይፊ ተዋሂቡ ኣሎ። ምስቲ ብዙሕ ህዝባ ጓትትዋ። 21ካብቶም ጀጋኑስ እቶም ኣውራታት ሓያላት ካብ ውሽጢ ሲኦል ንእኡን ንደገፍቱን ከምዚ ኢሎም ክዛረብዎ እዮም፡ እቶም ዘይግዙራት ብሰይፊ እተቐትሉ ወሪዶም፡ ኣብኡ በጥ ኢሎም ኣለዉ።
 22ኣብኡ ኣሶርን ኵሉ ህዝባን ኣለዉ፡ ኣብ ዙርያኡ መቓብሩ ኣሎ። ኵላቶም ተቐትሉ፡ ብሰይፊ ወደቑ። 23መቓብሮም ኣብ መዓሙቝ ጕድጓድ፡ ህዝባ ኸኣ ኣብ ዙርያ መቓብራ ኣሎ። እቶም ኣብ ሃገር ህያዋን ዘስክሑ ዝነበሩ ኵላቶም ተቐቲሎም ብሰይፊ ወዲቖም እዮም።
24ኣብኡ ዐላምን ኵሉ ህዝባን ኣብቲ ዙርያ መቓብራ ኣለዉ። ኵላቶም ተቐትሉ፡ ብሰይፊ ወደቑ፡ ንሳቶም ኣብ ምድሪ ህያዋን ዘሰክሑ ዝነበሩ ዘይግዙራት ናብ መዓሙቝ ምድሪ ወረዱ፡ ምስቶም ናብ ጕድጓድ ዝወረዱ ኸኣ ነውሮም ተሰከሙ። 25ንእኣን ንዅሉ ህዝባን ኣብ ማእከል እቶም ቅቱላት ኣንጸፍሎም። መቓብራ ኣብ ዙርያኣ እዩ። ኣብ ምድሪ ህያዋን ዘሰክሑ ነበሩ እሞ፡ ኵላቶም ዘይግዙራት ብሰይፊ እተቐትሉ እዮም፡ ነውሮም ድማ ምስትም ናብ ጕድጓድ ዝወርዱ ተሰከሙ። ኣብ ማእከል ቅቱላት ተነብረ።
26ኣብኡ መሴክን ቱባልን ምስ ኵሉ ህዝቦም ኣለዉ። ኣብ ዙርያኣ መቓብር ኣሎ። ኣብ ምድሪ ህያዋን መሰክሒ ስለ ዝነበሩ፡ ኵላቶም ዘይግዙራት ብሰይፊ እተቐትሉ እዮም። 27ንሳቶም ከኣ ምስቶም ካብቶም ዘይግዙራት ዝወደቑ ምስ ኣጽዋር ውግኦም ናብ ሲኦል ዝወረዱ፡ ኣብ ትሕቲ ኣርእስቶም ድማ ኣስያፎም ዘንበሩሎም ጀጋኑ፡ ምሳታቶም ኣይድቅሱን እዮም። ኣብ ምድሪ ህያዋን መሰክሕ ጀጋኑ ስለ ዝነበሩ፡ ኣበሳኦም ኣብ ልዕሊ ኣዕጽምቶም እዩ። 28ንስኻ ኸኣ ኣብ ማእከል እቶም ዘይግዙራት ክትሰባበር፡ ምስቶም ብሰይፊ እተቐትሉ ድማ ክትድቅስ ኢኻ።
29ኣብኡ ኤዶምን ነገስታታን ኵሎም መሳፍንታን ኣለዉ። እዚኣቶም ሓይሎም ምስቶም ብሰይፊ እተቐትሉ ተነብሩ። ምስቶም ናብ ጕድጓድ ዝወረዱን ዘይግዙራትን ደቂሶም ኣለዉ።
30ኣብኡ እቶም ምስቶም ቅቱላት ዝወረዱ ኵላቶም መሳፍንቲ ሰሜንን ኵላቶም ሲዶናውያንን ኣለዉ። ብሓይሎም ዘስክሑ ኽነሶም ነዊሮም፡ ዘይግዙራት ኰይኖም ምስቶም ብሰይፊ እተቐትሉ ይድቅሱ ኣለዉ፡ ምስቶም ናብ ጕድጓድ ዝወረዱ ኸኣ ነውሮም ይጾሩ ኣለዉ።
31ፈርኦን ክርእዮም፡ ስለ ዅሉ ህዝቡ ኸኣ ክጸናናዕ እዩ። ፈርኦንን ኵሉ ሰራዊቱን ብሰይፊ ተቐቲሎም እዮ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ 32ኣነ ኣብ ምድሪ ህያዋን መሰክሒ ዝኸውን ከምጽእ እየ እሞ፡ ንፈርኦንን ንዅሉ ህዝቡን ኣብ ማእከል እቶም ዘይግዙራት፡ ምስቶም ብሰይፊ እተቐትሉ በጥ ከብልዎም እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።

       ትን. ህዝቅኤል  ምዕራፍ 33            

   1ከምዚ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ መጸኒ፡ 2ኣታ ወዲ ሰብ፡ ንደቂ ህዝብካ ተዛረቦም በሎምውን፡ ኣነ ሰይፊ ናብ ሃገር እንተ ኣምጻእኩ፡ ህዝቢ እታ ሃገር ከኣ ካባታቶም ሓደ ሰብኣይ ሓላዊ ክዀኖም እንተ ኣመዘዝዎ፡ 3ንሱ ኸኣ ሰይፊ ናብታ ሃገር ክመጽእ እንተ ረኣየ እሞ፡ መለኸት እንተ ነፍሐ፡ ነቶም ህዝቢ ኸኣ እንተ ኣጠንቀቖም፡ 4ሓደ ነቲ ደሃይ መለኸት ሰሚዑ እንተ ዘይተጠንቀቐ፡ ሰይፊ መጺኡ ኸኣ እንተ መንከሎ፡ ደሙ ኣብ ርእሱ ክኸውን እዩ። 5ደሃይ መለኸት ሰሚዑስ ኣይተጠንቀቐን እሞ፡ ደሙ ኣብ ርእሱ ክኸውን እዩ። እንተ ዝጥንቀቕሲ፡ ንነፍሱ መድሓና ነይሩ። 6እቲ ሓላዊ ግና ሰይፊ ኽመጽእ ከሎ እንተ ረኣየ፡ መለኸት ድማ እንተ ዘይነፍሐ፡ ነቶም ህዝቢ ኸኣ እንተ ዘየጠንቀቖም፡ ሰይፊ መጺኡውን ንሓደ ኻባታቶም እንተ መንከሎ፡ ንሱ ብሰሪ ኣበሳኡ ይውሰድ፡ ደሙ ግና ካብ ኢድ እቲ ሓላዊ እየ ዝደልዮ። 7እምበኣርሲ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ ኣብ ቤት እስራኤል ሓላዊ ገይረ ኣቝመካ እየ፡ ነቲ ቓል ካብ ኣፈይ ስማዕ እሞ ኣብ ክንዳይ ኴንካ ኣጠንቅቆም። 8ኣነ ነቲ ረሲእ፡ ኣታ ረሲእ፡ ብርግጽ ክትመውት ኢኻ፡ እንተ በልክዎ፡ ኢልካ ኽጥንቀቕ፡ እንተ ዘይተዛረብካዮ፡ እዚ ረሲእ ብሰሪ ረሲእነቱ ኽመውት እዩ፡ ደሙ ግና ካብ ኢድካ እየ ዝደልዮ። 9ግናኸ ነቲ ረሲእ ካብ መገዱ ኽምለስ እንተ ኣጠንቀቕካዮ፡ ንሱ ኸኣ ካብ መገዱ እንተ ዘይተመልሰ፡ ንሱ ንሰሪ ረሲእነቱ ኽመውት እዩ፡ ንስኻ ግና ንነፍስኻ ኣድሓንካያ።
10ኣታ ወዲ ሰብ፡ ንቤት እስራኤል፡ ንስኻትኩምሲ፡ ኣበሳናን ሓጢኣትናን ኣብ ርእስና እዩ፡ ንሕና ኸኣ ብሰሩ ንሕለል ኣሎና። ከመይ ጌርና ደኣ ብህይወት ክንነብር ኢና፡ ኢልኩም ትብሉ ኣሎኹም፡በሎም። 11ኣነ ህያው እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ረሲእ ካብ መገዱ ኽምለስ እሞ ብህይወት ክነብር እምበር፡ ብሞት ረሲእ ባህ ኣይብለንን እዩ። ኣቱም ቤት እስራኤል፡ ስለምንታይ እትሞቱ፡ካብቲ እኩይ መገድኹም ተመለሱ፡ተመለሱ፡በሎም። 12ኣታ ወዲ ሰብ፡ ንደቂ ህዝብኻ በሎም፡ ጽድቂ እቲ ጻድቕ በታ ንሱ ዝእብሰላ መዓልቲ ኣይከድሕኖን እዩ። ረሲእነት እቲ ረሲእ ከኣ፡ በታ ኻብ ርሲእነት ዝምለሰላ መዓልቲ ኣይከውድቖን እዩ። እቲ ጻድቕሲ በታ ዝእብሰላ መዓልቲ በቲ ጻድቁ ብህይወት ኣይክነብርን እዩ። 13ነቲ ጻድቕ፡ ብርግጽ ብህይወት ክትነብር ኢኻ እንተ በልክዎ፡ ንሱ ኸኣ ብጽድቂ ተኣሚኑ እንተ ኣበሰ፡ ንሱ ብሰሪ እቲ ዝገበሮ ኣበሳኡ ኽመውት እዩ እምበር፡ እቲ ዅሉ ጽድቁ ኣይክዝከረሉን እዩ። 14ነቲ ረሲእ ድማ፡ ብርግጽ ሞት ክትመውት ኢኻ፡ እንተ በልክዎ፡ ንሱ ኸኣ ካብ ሓጢኣቱ እንተ ተመልሰ፡ ፍርድን ጽድቅንውን እንተ ገበረ፡ 15ረሲእስ ታሕዚ እንተ መለሰ፡ ዝዘመቶ እንተ ኸሓሰ፡ ግፍዒ ኸይገበረ ብሕጋጋት ህይወት እንተ ተመላለሰ፡ ንሱ ርግጽ ብህይወት ክነብር፡ ኣይክመውትን ከኣ እዩ። 16እቲ ዝገበሮ ዘበለ ዅሉ ሓጢኣቱ ኣይክዝከረሉን። ፍርድን ጽድቅን ገይሩ እዩ እሞ፡ ርግጽ ብህይወት ክነብር እዩ። 17ደቂ ህዝብኻ ኸኣ፡ መገዲ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ኣይኰነን፡ ይብሉ ኣለዉ። ግናኸ ኣይቅኑዕሲ መገዲ ርእሶም ደኣ እዩ። 18ጻድቕ ካብ ጽድቁ እንተ ተመልሰ፡ ዓመጻ ኸኣ እንተ ገበረ ብሰራ ኽመውት እዩ። 19ረሲእውን ካብ ረሲእነቱ እንተ ተመልሰ፡ ፍርድን ጽድቅን ድማ እንተ ገበረ፡ ሳላአን ብህይወት ክነብር እዩ። 20ንስኻትኩምሲ፡ መገዲ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ኣይኰነን፡ ትብሉ ኣሎኹም። ኣቱም ቤት እስራኤል፡ ንነፍሲ ወከፍኩም ከከም መገድኹም ክፈርደኩም እየ።
21ኰነ ድማ፡ ካብ እንማረኽ ኣብ መበል ዓሰርተው ክልተ ዓመቱ፡ ኣብታ ዓስረይቲ ወርሒ፡ ነታ ወርሒ ኸኣ ኣብታ ሓምሰይቲ መዓልቲ፡ ሓደ ዘምለጠ ሰብኣይ ካብ የሩሳሌም ናባይ መጸ እሞ፡ እታ ኸተማስ ተትሒዛ፡ በለኒ። 22እቲ ዘምለጠ ኸይመጸ ኸሎ፡ ኣጋ ምሸት ኢድ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕለይ መጺኣ ነበረት፡ ንጽባሒቱ ንሱ ኽሳዕ ዝመጸኒ ኸኣ፡ ኣፈይ ከፈተለይ። በዚ ኸምዚ ኣፈይ ተኸፍተለይ፡ ድሕርዚ ኸኣ ዓባስ ኣይኰንኩን። 23ከምዚ ዝብል ቃ፡ እግዚኣብሄር ድማ መጸኒ፡ 24ኣታ ወዲ ሰብ፡ እቶም ኣብተን ዑናታት እታ ሃገር እስራኤል ዘለዉ፡ ኣብርሃም ሓደ ንበይኑ ነበረ ነዛ ሃገር እዚኣ ኸኣ ተረስተያ። ንሕና ግና ብዙሓት ኢና፡ እታ ሃገር ድማ ርስቲ ኽትከውን ንኣና ተዋሂባ እያ፡ ይብሉ ኣለዉ። 25ስለዚ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኢልካ ንገሮም፡ ምስ ደም ጌርኩም ትበልዑ ኣሎኹም፡ ኣዒንትኹም ድማ ናብ ጣኦታትኩም ቍሊሕ ይብላ ኣለዋ’ ደም ትኽዕዉ ኣሎኹም፡ ምስናይ እዝስ ነታ ሃገር ያኣይ ክትወርስዋ ኢኹም፡ 26ኣብ ሰይፍኹም ትጽግዑ፡ ጽያፍ ትገብሩ ኣሎኹም፡ ነፍሲ ወከፍኩም ንሰበይቲ ብጻዩ የርክስ ኣሎ፡ ምስ ናይ እዝስ ነታ ሃገር ያኣይ ክትወርስዋ ኢኹም፡ 27እግዚኣብሄር ኣምላኽሲ ኸምዚ ይብል ኣሎ፡ ኢልካውን ነሮም፡ ኣነ ህያው እየ፡ እቶም ኣብ ዑናታት ዝነብሩ ብርግጽ ብሰይፊ ኽወድቁ እዮም፡ ነቲ ኣብ መሮር ዘሎ ኸኣ ንኣራዊት ብልዒ ክኸውን ክውፍዮ እየ። እቶም ኣብ ዕርድን ኣብ በዓትታትን ዝነብሩ ድማ ብፌራ ክሞቱ እዮም። 28ኣነ ነታ ሃገር እቲኣ ምድረ በዳን መሰክሕን ክገብራ እየ። እቲ እትዕበየሉ ሓይላ ጥራስ ክጠፍእ እዩ። ኣኽራን እስራኤል ድማ ዝሓልፈሉ ዜይብሉ ዀይኑ ኽባድም እዩ። 29ብሰሪ እቲ ዝገበርዎ ዘበለ ዅሉ ጽያፎም ነታ ሃገር እቲኣ ምድረ በዳን መስክሕን ምስ ገበርክዋ፡ ንሳቶም ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክፈልጡ እዮም።
30ኣታ ወዲ ሰብ፡ እቶም ደቂ ህዝብኻ ኣብ ጥቓ መንደቕን ኣብ ኣፍ ደጌታት ኣባይትን ኰይኖም ብዛዕባኻ ይዛራረቡ ኣለዉ፡ ንድሓሕዶም ነፍሲ ወከፍ ንሓዉ፡ እስከ ንዑናይ፡ ካብ እግዚኣብሄር ዝወጽእ ቃል እንታይ ከም ዝዀነ ስምዑ፡ ይባሃሃሉ ኣለዉ። 31ከም ኣመጻጽኣ ህዝቢ ድማ ኣባኻ ይመጹ፡ ከም ህዝበይ ከኣ ኣብ ቅድሜኻ ይቕመጡ፡ ቃላትካውን ይሰምዑ ኣለዉ፡ ግናኸ ኣይገብርዎን እዮም። ብኣፎም ፍቕሪ የርእዩ ኣለዉ፡ ልቦም ግና ደድሕሪ ረብሓ ርእሶም እዩ ዝኸይድ። 32እምበኣርሲ ንስኻ ኸም ቅኔ ፍቕሪ፡ ከምቲ ጥዑም ድምጺ ዘለዎ፡ ምህራም መሰንቆ ኸኣ ዝኽእል ኰንካዮም። ቃልካውን ይሰምዑ ኣለዉ፡ ግናኸ ኣይገብርዎን እዮም። 33ምስ ዝመጽእ ግና፦ እንሆ፡ ይመጽእ ኣሎ፦ ሽዑ ነብዪ ኣብ ማእከሎም ከም ዝነበረ ኽፈልጡ እዮም።

       ትን. ህዝቅኤል  ምዕራፍ 34            

   1ከምዚ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ከኣ መጸኒ፡ 2ኣታ ወዲ ሰብ፡ ኣብቶም ጓሶት እስራኤል ተነበ፡ ነቶም ጓሶት ተነበየሎም፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኢልካውን ንገሮም፡ ነቶም ንርእሶም ጥራይ ዝጓስዩ ጓሶት እስራኤል ወይለኦም። እቶም ጓሶትሲ ነተን ኣባጊዕዶ ኣይኰኑን ዝጓስዩ፡ 3ነቲ ስቡሕ ትበልዑ፡ ጸምሪ ትኽደኑ፡ ነቲ ዝሰብሐ ትሓርዱ፡ ነቲ መጓሰ ግና ኣይትኣልዩን። 4ንዝሓመቓ ኣየበርታዕኩምን፡ ንዝሓመመት ኣይፈወስኩምን፡ ንተሰብረት ኣይዘነንኩምን፡ ንተባረረት ኣይመለስኩምን፡ ንዝጠፍአት ኣይደሌኹምን፡ ብሓይልን ብትርን ደኣ ገዛእኩምወን። 5ጓሳ ስለ ዘይነበረን ፋሕ በላ፡ ንዅሎም ኣራዊት መሮር ከኣ ብልዒ ዀና፡ ፋሕውን በላ። 6ኣባጊዐይ ኣብ ኵሉ ኣኽራንን ኣብ ኵሉ ነነዋሕቲ ዅርባታትን ተባረራ፡ ኣብ ኵሉ ዝባን ምድሪ ፋሓ በላ፡ ግደን ዝገብርን ዝደልየንን ከኣ የልቦን።
 7ስለዚ፡ ኣቱም ጓሶት፡ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ፡ 8ኣነ ህያው እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ኣባጊዐይ ተዘሪፈን፡ ኣባጊዐይ ከኣ ንዅሎም ኣራዊት መሮር ብልዒ ዀይነን፡ እቶም ጓሶት ኣይነበሩን፡ ጓሶትይ ግዲ ኣባጊዐይ ኣይገበሩን፡ እቶም ጓሶት ንርእሶም ጓሰዩ እምበር፡ ነባጊዐይሲ ኣይጓሰይወንን እዮም እሞ፡ 9ስለዚ፡ ኣቱም ጓሶት፡ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ፡ 10እግዚኣብሄር ኣምላኽሲ እንሆ፡ ኣብቶም ጓሶት እጥልቕ ኣሎኹ፡ ኣባጊዐይ ከኣ ካብ ኢዶም ክደልየን እየ። እቶም ጓሶት መሊሶም ንርእሶም ከይጓስዩስ፡ ጕስነት ኣባጊዐይ ከሕድጎም እየ። ድሕርዚ ቐለቦም ከይዀና ድማ፡ ካብ ኣፎም ክምንዝዐን እየ፡ ይብል ኣሎ።
11ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እኔኹ ኣነ ባዕለይ፡ ኣነ ነተን ኣባጊዐይ ክኣልየንን ክደልየንን እየ። 12ከምቲ ጓሳ፡ በታ እተን መጓሲኡ ፋሕ ዝብላላ መዓልቲ ኣብ ማእከል ኣባጊዑ ጸኒሑ ዝደልየን፡ ከምኡ ድማ ኣነ ነባጊዐይ ክደልየን፡ ካብ ኵሉ እት ብመዓልቲ ደበናን ጸልማትን ፋሕ ኢለናኦ ዝነበራ ቦታ ኸኣ ከናግፈን እየ። 13ካብ ህዝብታት ከውጽአን፡ ካብ ሃገራት ክእክበን፡ ናብ ሃገረን ድማ ክመልሰን፡ ኣብ ኣኽራን እስራኤልን ኣብ ጥቓ ወሓዚ መስኖ ኣብቲ ሰብ ዝነብረሉ ኵሉ ቦታ እታ ሃገርን ክጓስየን እየ። 14ኣብ ልሙዕ መጓስዪ ኸውፍረን እየ፡ ደምቢአን ከኣ ኣብቲ ነዋሕቲ ኣኽራን እስራኤል ክኸውን እዩ። ኣብኡ ኣብ ጽቡቕ ደምበ ኽድቅሳ፡ ኣብ ስቡሕ መውፈሪ ኣብ ኣኽራን እስራኤል ክጓሰያ እየን። 15ኣነ ባዕለይ ነባጊዐይ ክወፍረን ባዕለይ ድማ ከስፍረን እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። 16ዝጠፍአት ክደሊ፡ እተባረረት ክመልስ፡ እተሰብረት ክዘንን፡ ዝሓመቐት ከኣ ከጽንዕ፡ ነታ ዝሰብሐትን ዝበርትዐትን ግና ከጥፍእ፡ ብፍርዲውን ክጓስየን እየ። 17እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኣትን ኣባጊዐይ፡ እንሆ፡ ኣነ ኣብ መንጎ በጊዕን በጊዕን፡ ኣብ መንጎ ደዓውልን ደባሉን ክፈርድ እየ። 18ነቲ ካብ መውዓሊኹም ዝተረፈ በእጋርኩም እትረግጽዎስ፡ ኣብቲ ልሙዕ ሸኻ ምውዓልዶ ውሒድኩም እዩ፡ነቲዝተረፈማይምስታይዶውሒድኩምእዩ፡ 19እሞ እተን ኣባጊዐይሲ እቲ በእጋርኩም እተረግጸዶ ኽበልዓ፡ እቲ ኣእጋርኩም ዝዘረጎስ ክሰትያ እየን፡
20ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እኔኹ፡ ኣነ ባዕለይ ኣብ መንጎ እተን ስቡሓት ኣባጊዕን እተን ዓባሩ ኣባጊዕን ክፈርድ እየ። 21ንዅለን እተን ዝሓመቓ ዘበላ ኽሳዕ ሰጕጕኩም ፋሕ እተብልወን፡ ብጐድንን ብመንኩብን ስለ ዝጐነጽኩምወን፡ በቕርንትኹም ድማ ስለ ዝወጋእኩምወን፡ 22ስለዚ ኣነ ነባጊዐይ፡ ድሕርዚ ንዘመተ ኸይውፈያ፡ ከድሕነን ኣብ መንጎ በጊዕን በጊዕን ከኣ ክፈርድ እየ። 23ኣነ ኸኣ ዝጓስየን ሓደ ጓሳ፡ ዳዊት ባርያይ፡ ከተንስኣለን እየ። ንሱ ኽጓስየን፡ ጓሳአን ድማ ክኸውን እዩ። 24ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኾም ክኸውን እየ፡ ዳዊት ባርያይውን ኣብ ማእከሎም መስፍን ክኸውን እዩ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ተዛሪበ ኣሎኹ። 25ኣነ ምሳታተን ኪዳን ሰላም ክኣቱ፡ ንኽፉኣት ኣራዊት ካብ ሃገር ከጥፍኦም እየ። ንሳተን ከኣ ኣብ በረኻ ሃዲአን ክነብራ፡ ኣብ ዱርውን ክድቅሳ እየን። 26ኣነ ኸኣ ንእአንን ነቲ ኣብ ዙርያ ኹርባይ ዘሎ ቦታን ንበረኸት ክገብሮም እየ። ዝናም ብግዜኡ ኸውርድ እየ፡ ዝናም በረኸትውን ክኸውን እዩ። 27ኦም መሮር ፍሪኡ ኸፍሪ እዩ፡ ምድሪውን ብቝላ ኽትህብ እያ፡ ኣብ ሃገሮም ከኣ ሃዲኦም ክነብሩ እዮም። ኣነ ሰንሰለት ኣርዑቶም ምስ ሰበርኩ፡ ካብ ኢድ እቶም ባሮት ዝገበርዎም ከኣ ምስ ኣናገፍክዎም፡ ሽዑ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክፈልጡ እዮም። 28ድሕርዚ ዘመተ ህዝብታት ኣይክዀኑን እዮም፡ ኣራዊት ምድሪ ኸኣ ኣይክበልዕዎምን እዮም። አረ ሃዲኦም ክነብሩ እዮም፡ዘፍርሆምውን የልቦን። 29ንናእዳ ዝዀኖም ተኽሊ ኸተንስኣሎም እየ፡ ድሕርዚ ኸኣ ኣብታ ሃገር ብጥሜት ኣይክጠፍኡን፡ ድሕሪ ደጊም ድማ ጸርፊ ህዝብታት ኣይክጾሩን እዮም። 30ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኾምሲ ምሳታቶም ከም ዝዀንኩ ኽፈልጡ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። 31ኣቱም ኣባጊዐይ፡ ኣባጊዕ መውፈረይ፡ ንስኻትኩም ሰብ ኢኹም፡ ኣነ ኸኣ ኣምላኽኩም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።

       ትን. ህዝቅኤል  ምዕራፍ 35           

   1ከምዚ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ከኣ መጸኒ፡ 2ኣታ ወዲ ሰብ፡ ገጽካ ናብ ከረን ሳዒር ኣብል ተነበየሉ ኸኣ፡ 
3እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኢልካውን ንገሮ፡ ኣታ ኸረን ሳዒኢር፡ እኔኹ እጥልቐልካ ኣሎኹ፡ ኢደይ ኣባኻ ኽዝርግሕ እየ እሞ ባዶን በረኻን ክገብረካ እየ። 4ንኸተማታትካ ኸዕንወን እየ፡ ንስኻ ድማ ክትባድም ኢኻ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይውን ክትፈልጥ ኢኻ። 5ናይ ሓዋሩ ጽልኢ ስለ ዝገበርካ፡ ንደቂ እስራኤል በቲ ግዜ ጸበባኦምን በቲ ኣበሳኦም እተፈጸመሉ ግዜስ ንኣደዳ ሰይፊ ስለ ዝወፌኻዮም፡ 6ስለዚ፡ ኣነ ህያው እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ንደም ክውፍየካ እየ፡ ደም ከኣ ክሰጐካ፡ ደም ኣይጸላእካን እሞ፡ ደም ክሰጐካ እዩ። 7ንኸረን ሳዒር ባዶን በረኻን ክገብሮ፡ ነቲ ብእኡ ዝኸይድን ዝምለስን ድማ ከጽንቶ እየ። 8ነኽራኑ ብቕቱላቱ ኽመልኦ እየ። ኣብቲ በረኽትካን ኣብ ሽንጭሮታትካን ኣብ ኵሉ ርባርባታትካን ብሰይፊ እተቐትሉ ኽወድቁ እዮም። 9ንሓዋሩ ምድረ በዳ ኽገብረካ እየ፡ ከተማታትካ ድማ ሰብ ዘይነብረለን ክዀና እየን። ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ከኣ ክትፈልጡ ኢኹም። 10እግዚኣብሄር ኣብኣ ኸሎስ፡ ንስኻ፡ እዞም ክልተ ህዝብን እዘን ክልተ ሃገርን ናተይ ክዀና፡ ንሕና ኽንወርሶም ኢና፡ ኢልካ ኢኻ እሞ፡ 11ስለዚ፡ ኣነ ህያው እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ኣነ ኸምቲ ዅራኻን፡ ከምቲ ጸሊእካ ዝገበርካዮም ቅንኣትካን ክገብር እየ። ምስ ፈርድኩኻ ኸኣ፡ ኣብ ማእከሎም ርእሰይ ከፍልጥ እየ። 12እቲ ነኽራን እስራኤል፡ በረኻ ዀይኑ፡ ብልዒ ክኸውን ድማ ንኣና ተወፍዩ እዩ፡ ኢልካ እተዛረብካዮ ኵሉ ጸርፍኻ ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝሰማዕክዎ ኽትፈልጥ ኢኻ። 13ንስኻትኩም ብኣፍኩም ከም እተዓቤኹምለይን ዘረባ ኸም ዘብዛሕኩምለይን፡ ሰሚዐዮ ኣሎኹ። 14-15እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ፡ ኵላ ምድሪ ኽትሕጐስ ከላ፡ ኣነ ኸባድመካ እየ፡ ከምቲ ብምብዳም ርስቲ ቤት እስራኤል እተሓጐስካዮ፡ ከምኡ ኸውርደልካ እየ። ኣታ ኸረን ሳዒር፡ ክትባድም ኢኻ፡ ኵላ ኤዶም ብዘላውን ከምኡ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ከ ክፈልጡ እዮም፡ ይብል ኣሎ።

       ትን. ህዝቅኤል  ምዕራፍ 36            

   1ኣታ ወዲ ሰብ፡ ነኽራን እስራኤል ተነበየሎም፡ ኣቱም ኣኽራን ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ፡ ከኣ በሎም። 2እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እቲ ጸላኢ፡ ኣሰይ፡ እቲ ናይ ጥንቲ በረኽቲ ርስትና ዀነ፡ ኢሉ ብዛዕባኹም ተዛሪቡ እዩ እሞ፡ 3ስለዚ ተነበ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኢልካውን ንገር፡ ነቶም ዝተረፉ ህዝብታት ርስቶም ምእንቲ ኽትኰኑስ፡ ንሳቶም ብዅሉ ወገን ኣባዲሞምኹምን ውሒጦምኹምን፡ መዛረብ ልሳንን መሕመዪ ህዝብን ከኣ ኴንኩም ኢኹም እሞ፡ 4ስለዚ፡ ኣቱም ኣኽራን እስራኤል፡ ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኽ ስምዑ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ነኽራንን ንዅድዅዶታትን ንርባታትን ንሽንጭሮታትን ንዝባደመ ዑናታትን ነተን እተሓድጋ እሞ ነቶም ኣብ ዙርያኤን ዝተረፉ ህዝብታትሲ ንዘመተን ልግጫን ኰይነን እተወፈያ ኸተማታትን ከምዚ ይብል ኣሎ፡ 5ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ነቶም ብምሉእ ልቦም ተሓጕሶም፡ ብነፍሶም ንዒቖም፡ ዘመተ ኽትከውንሲ፡ ነታ ሃገረይ እተረስተየዋ ተረፍ ህዝብታትን፡ ብዘሎ ኤዶምን ብሓዊ ቕንኣተይ ተዛረብኩ። 6እምብኣርሲ ነኽራንን ንዅድዅዶታትን ንርባታትን ንሽንጭሮታትን፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ እንሆ፡ ንስኻትኩም ነውሪ ህዝብታት ስለ እተሰከምኩም፡ ኣነ ብቕንኣተይን ብነድረይን ተዛረብኩ፡ ይብል ኣሎ ኢልካ ብዘዕባ ሃገር እስራኤል ተነበ። 7ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኣነ ኢደይ ኣልዒለ እየ፡ እዞም ኣብ ከባቢኹም ዘለዉ ህዝብታት ንሳቶም ነውሮም ክስከሙ እዮም። 8-9ግናኸ፡ ኣቱም ኣኽራን እስራኤል፡ እኔኹ ናባኻትኩም ክመጽእ፡ ናባኻትኩምውን ከብል እየ። ንስኻትኩም ከኣ ክትሕረሱን ክትዝርኡን ኢኹም እሞ፡ ምምላሶም ስለ ዝቐረበ፡ ንህዝበይ እስራኤል ጨናፍርኩም ክጭብጭብ፡ ፍሬኹም ከኣ ክፈሪ እዩ። 10ኣባኻትኩም ንዅላ ብዛላ ቤት እስራኤል ከኣ ሰብ ከብዝሓላ እየ። ከተማታት ክስፈር፡ ዑናታት ድማ ክስራሕ እዩ። 11ኣነ ኸኣ ኣባኻትኩም ሰብን እንስሳን ከብዝሕ እየ፡ ንሳቶም ድማ ክባዝሑን ክፋረዩን እዮም። ከምቲ ናይ ቀደምኩም መሓድር ክገብረኩም እየ፡ ካብቲ ናይ መጀመርታኹም ዝበለጸ ኸኣ ሰናይ ክገብረልኩም እየ። ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይውን ክትፈልጡ ኢኹም። 12ንሰብ፡ ህዝበይ እስራኤል፡ ኣባኻትኩም ከመላልሶም እየ። ክወርሱኻ እዮም፡ ርስቶም ከኣ ክትከውን ኢኻ፡ ድሕርዚውን ውሉድ ዘይብሎም ኣይክትገብሮምን ኢኻ። 13እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ሰብ በሊዕኪ፡ ንህዝብኺ ኸኣ ውሉድ ዘይብሉ ጌርክዮ ኢኺ፡ ይብሉኹም ኣለዉ እሞ፡ 14ስለዚ ድሕርዚ ሰብ ኣይክትበልዕን፡ ንህዝብኺውን ውሉድ ዘይብሉ ኣይክትገብርዮን ኢኺ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። 15ደጊምሲ ነውሪ ኣህዛብ ኣይከስምዓክን እየ፡ ልግጫ ህዝብታት ኣይክትጾርን፡ ድሕርዚውን ንህዝብኺ ኣይከተዐንቅፍዮምን ኢኺ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
16ከምዚ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ከኣ መጸኒ፡ 17ኣታ ወዲ ሰብ፡ ቤት እስራኤል ኣብ ሃገሮም ከለዉ፡ ብመገዶምን ግብሮምን የርክስዋ ነበሩ። መገዶም ኣብ ቅድመይ ከም ርኽሰት ጽግያት ሰበይቲ ነበረ። 18ሽዑ ብሰሪ እቲ ኣብታ ሃገር ዝኸዓውዎ ደምን ብጣኦታቶም ከኣ ስለ ዘርከስዋን ኵራይ ከዖኹሎም። 19ኣብ ማእከል ህዝብታት ዘሮኽዎም፡ ኣብ ሃገራት ከኣ ፋሕ በሉ፡ ኣነውን ከም መገዶምን ከም ግብሮምን ፈረድክዎም። 20ብዛዕባኦም ከኣ እዚኣቶም ይኣይ ህዝቢ እግዚኣብሄር እዮም፡ ካብ ሃገሩ ወጺኦም፡ እናተባህለስ፡ ኣብ ዘዝኣተውዎም ኣህዛብ ምስ በጽሑ፡ ነቲ ቅዱስ ስመይ ኣርከስዎ። 21ኣነ ግና ነቲ ቤት እስራኤል ኣብ ዘዝኣተውዎም ህዝብታት ዘርከስዎ ቅዱስ ስመይ ነሓፍክዎ። 22ስለዚ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኢልካ ንቤት እስራኤል ንገሮም፡ ኣቱም ቤት እስራኤል፡ እዚ ምእንቲ እቲ ኣብ ዘዝኣተኽምዎም ህዝቢ ዘርከስኩምዎ ቅዱስ ስመይ እየ እምበር፡ ምእንታኹም ኣይኰንኩን ዝገብሮ ዘሎኹ። 23ነቲ ኣብ ህዝብታት ዝረኸሰ፡ ኣብ ማእከሎም ዘርከስኩምዎ ዓብዪ ስመይ ክቕድሶ እየ። ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ኣባኻትኩም ምስ ተቐደስኩ ኸኣ፡ እቶም ህዝብታት ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክፈልጡ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
24ካብ ህዝብታት ከምጽኣኩም፡ ካብ ኵሉ ሃገራት ከኣ ክኣኻኽበኩም እየ፡ ናብ ሃገርኩምውን ክመልሰኩም እየ። 25ጽሩይ ማይ ክነጽገልኩም እየ እሞ ክትጸርዩ ኢኹም። ካብ ኵሉ ርኽሰትኩምን ካብ ኵሎም ጣኦታትኩምን ከጽርየኩም እየ። 26ሓድሽ ልቢ ድማ ክህበኩም፡ ሓድሽ መንፈስ ከኣ ከሕድረልኩም፡ ናይ እምኒ ልቢ ኻብ ስጋኹም ከውጽእ፡ ናይ ስጋ ልቢውን ክህበኩም እየ። 27ንመንፈሰይ ኣብ ውሽጥኹም ከሕድሮ፡ ብትእዛዛተይ ከመላልሰኩም፡ ፍርደይ ከሓልወኩምን ከግብረኩምን እየ። 28ኣብታ ነቦታትኩም ዝሃብኩዋ ሃገር ክትነብሩ፡ ህዝቢ ኸኣ ክትኰኑኒ ኢኹም፡ ኣነውን ኣምላኽ ክዀነኩም እየ። 29ካብ ኵሉ ርኽሰትኩም ከኣ ከናግፈኩም፡ ንእኽሊ ኽጽውዖን ከብዝሖን እየ፡ ድሕርዚውን ጥሜት ኣይከምጽኣልኩምን እየ። 30ድሕርዚ ኣብ ማእከል ህዝብታት ጸርፊ ጥሜት ከይትጾሩስ፡ ፈረ ኦምን ፍርያት ግራትን ከብዝሖ እየ። 31ሽዑ ነቲ እኩይ መገድታትኩምን ነቲ ዘይሰናይ ተግባራትኩምን ክትዝክሩ፡ ብሰሪ ኣበሳኹምን ጽያፍኩምን ከኣ ንርእስኹም ክትፍንፍኑ ኢኹም። 32ኣቱም ቤት እስራኤልሲ፡ እዚ ምእንታኹም ኢለ ኸም ዘይገብሮ፡ ኣባኻትኩም ይፈልጥ፡ ብሰሪ መገድታትኩም ሕፈሩን ነውሩን፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
33እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡በታ ኣነ ንኣኻትኩም ካብ ኵሉ ኣበሳኹም ዘንጽሃላ መዓልቲ፡ ነተን ከተማታት ሰብ ከም ዝነብረን፡ እቲ ዑናታት ከኣ ከም ዝስራሕ ክገብሮ እየ። 34እታ ዝባደመት ምድሪ፡ ኣብ ክንዲ እቲ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ ዅሎም ሓለፍቲ መገዲ ባዲማቶ ዝነበረት፡ ክትሕረስ እያ። 35ሽዑ ኸኣ፡ እዛ ባዲማ ዝነበረት ምድሪ ኸም ገነት ኤደን ኰነት፡ እተን ዝባደማን ዝዓነዋን ዝፈረሳን ከተማታት ድማ እተዓርዳን፡ ሰብ ዝነብረለንን ኰና፡ክበሃል እዩ። 36እቶም ኣብ ከባቢኹም ዝተረፉ ህዝብታት ከኣ ኣነ እግዚኣብሄር ነቲ ዝፈረሰ ኸም ዝሰራሕክዎ፡ ነቲ ዝበረሰውን ከም ዝተኸልክዎ ኽፈልጡ እዮም። ኣነ እግዚኣብሄር ተዛሪበ ኣሎኹ፡ ክገብሮ ድማ ኣየ።
37እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ምስናይ እዚ፡ ንቤት እስራኤል እዚ ኽገብረሎም እየ። ነቶም ሰብ ከም መጓሴታት ኣባጊዕ ከብዝሖም እየ። 38ከምተን ዝተቐደሳ መጓሰ፡ ከምተን መጓሰ የሩሳሌም ኣብቲ በዓላታ ኸምኡ እተን ዝባደማ ኸተማታት ብመጓሴታት ሰብ ክመልኣ እየን። ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ከኣ ክፈልጡ እዮም።

       ትን. ህዝቅኤል  ምዕራፍ 37            

   1ኢድ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕለይ ነበረት፡ እግዚኣብሄር ከኣ ብመንፈስ ኣውጽኣኒ፡ ኣብ ማእከል እታ ጐልጐል ድማ ኣንበረኒ፡ ንሳውን ዓጻጽምቲ መሊእዋ ነብረ። 2ኣብ ጥቓኦም ብዙርያኦም ኣሕለፈኒ፡ እንሆ ኸኣ፡ ኣብቲ ዝባን ጐልጐል ብዙሕ ነበረ፡ እንሆውን፡ ኣዝዩ ንቑጽ ነበረ። 3ንሱ ኸኣ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ እዚ ዓጻጽምቲ እዝስ ህያውዶ ክኸውን እዩ በለኒ። ኣነ ድማ፡ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ንስኻ ትፈልጥ፡ ኢለ መለስኩ። 4ንሱ ኸኣ፡ ኣብ ልዕሊ እዚ ዓጻጽምቲ እዚ ተነበ፡ ኣቱም ንቑጻት ዓጻጽምቲ፡ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ፡ ኢልካውን ንገሮም፡ በለኒ። 5እግዚኣብሄር ኣምላኽ ነዚ ዓጻጽምቲ እዚ ኸምዚ ይብል ኣሎ፡ እንሆ፡ ኣነ ትንፋስ ከእትወልኩም እየ፡ ንስኻትኩም ከኣ ህያዋን ክትኰኑ ኢኹም። 6ጅማውቲውን ኸንብረልኩም፡ ስጋ ኽገብረልኩም፡ ብቘርበት ክኸድነኩም፡ ትንፋስ ከእትወልኩም እየ፡ ህያዋን ከኣ ክትኰኑ ኢኹም፡ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ድማ ክትፈልጡ ኢኹም። 7ከምቲ እተኣዘዝክዎ ኸኣ ተነቤኹ። ክንበ ኸሎኹ ድማ ደሃይ ኰነ፡ እንሆ ኸኣ፡ ፍኒሕኒሕ ኰነ፡ እቲ ዓጻጽምቲውን ዓጽሙ ተቓራረበ። 8እንሆ ኸኣ፡ ጅማውትን ስጋን ክወጾም፡ ቈርበት ድማ ክኸድኖም ርአኹ፡ ትንፋስ ግና ኣይነበሮምን። 9ሽዑ ንሱ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ ተነበ፡ ንንፋስ ተነበየሉ፡ ንንፋስ ከኣ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ኣታ ትንፋስ፡ እዞም ህያዋን ክዀኑስ፡ ካብቶም ኣርባዕተ ንፋስ ንዓ እሞ ኣብዚኦም ንፈስ፡ ይብል ኣሎ፡ ኢልካ ንገሮ ፡ በለኒ። 10ኣነ ኸኣ ኸምቲ ዝኣዘዘኒ ተነቤኹ፡ ትንፋስ ድማ ኣተዎም። ህያዋን ኰኑ፡ በእጋሮም ከኣ ቘሙ፡ ኣዝዩ ዓብዪ ጭፍራ ነበሩ። 11ሽዑ ንሱ በለኒ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ እዚ ዓጻጽምቲ እዚ ዅላ ቤት እስራኤል እዮም። እንሆ፡ ንሳቶም፡ ዓጻጽምትና ነቐጸ፡ ተስፋና ተቐብጻ፡ ንሕና ጠፊእና ኢና፡ ይብል ኣለዉ። 12ስለዝተነበ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኢልካውን ንገሮም፡ እንሆ፡ ኣነ መቓብራትኩም ክኸፍት፡ ኣቱም ህዝበይ፡ ካብ መቓብራትኩም ድማ ከውጽኣኩም፡ ናብ ሃገር እስራኤልውን ከእትወኩም እየ። 13ኣቱም ህዝበይ፡ መቓብራትኩም ምስ ከፈትኩ፡ ካብ መቓብራትኩም ከኣ ምስ ኣውጽእኩኹም፡ ኣነ ኣግዚኣብሄር ምዃነይ ክትፈልጡ ኢኹም። 14መንፈሰይ ከሕድረልኩም እየ፡ ህያዋን ከኣ ክትኰኑ ኢኹም፡ ናብ ሃገርኩም ድማ ከንብረኩም እየ እሞ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ከም እተዛረብኩን ከም ዝገበርክዎን ክትፈልጡ ኢኹም፡ ይብል እግዚኣብሄር።
15ከምዚ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ከኣ መጸኒ፡ 16ኣታ ወዲ ሰብ፡ ሓደ ዕጨይቲ ውሰድ እሞ፡ ንይሁዳን ንደቂ እስራኤል ብጾቱን፡ ኢልካ ጽሓፈሉ። ድሕሪኡውን ካልእ ዕጨይቲ ውሰድ እሞ፡ ንዮሴፍ ዕጨይቲ ኤፍሬምን ኵላ ቤት እስራኤል ብጾቱን፡ ኢልካ ጽሓፈሉ። 17ሓደ ዕጨይቲ ክኸውንሲ፡ እቲ ሓደ ኣብቲ ሓደ ኣጋጥሞ፡ ኣብ ኢድካ ኸኣ ሓደ ክኸውን እዩ። 18እቶም ደቂ ህዝብኻ ድማ፡ በዝስ እንታይ ከም ዝዀነ ሓሳብካዶ ኣይትገልጸልናን ኢኻ፡ኢሎም ምስ ተዛረቡኻ፡ 19ንስኻ ኸኣ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኢልካ ንገሮም፡ እንሆ፡ ኣነ ነቲ ኣብ ኢድ ኤፍሬምን ነገድ እስራኤል ብጾቱን ዘሎ ዕጨይቲ ዮሴፍ ክወስድ፡ ኣብቲ ዕጨይቲ ይሁዳ ኸኣ ክድርቦም፡ ኣብ ኢደይ ሓደ ክዀኑስ፡ ሓደ ዕጨይቲ ኽገብሮም እየ። 20እቲ ዝጸሓፍካሉ ዕጨይቲ ድማ ኣብ ቅድሚ ዓይኖም ኣብ ኢድካ ክኸውን እዩ። 21እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኢልካውን ንገሮም፡ እንሆ፡ ኣነ ንደቂ እስራኤል ካብ ማእከል እቶም ከይዶምዎም ዘለዉ ህዝብታት ክወስድ፡ ካብ ኵሉ ወገን ክእክቦም ናብ ሃገሮምውን ከእትዎም እየ። 22ኣብታ ሃገር ኣብ ኣኽራን እስራኤል ከኣ ሓደ ህዝቢ ኽገብሮም እየ፡ ንዅላቶም ሓደ ንጉስ ክነግሶም እዩ፡ ድሕርዚ ድማ ክልተ ህዝቢ ኣይክዀኑን፡ ድሕርዚውን ኣብ ክልተ መንግስቲ ኣይክምቀሉን እዮም።
23ድሕሪ ደጊም በቲ ጣኦታቶምን ነውሮምን ብዅሉ ኣበሳኦምን ኣይክረኽሱን እዮም። ኣነ ኸኣ ካብ ኵሉ እቲ ሓጢኣት ዝገብሩሉን ዝነብርዎን ስፍራ ኸድሕኖምን ከንጽሆምን እየ። ንሳቶም ህዝበይ ክዀኑ እዮም፡ ኣነውን ኣምላኾም ክኸውን እየ። 24ዳዊት ባርያይ ከኣ ክነግሶም፡ ንዅላቶም ድማ ሓደ ጓሳ ክዀኖም እዩ፡ ብፍርደይ ከኣ ክመላለሱ፡ ንሕጋጋተይውን ክሕልውዎን ክገብርዎን እዮም። 25ኣብታ ንባርያይ ያእቆብ ዝሃብክዎ፡ ኣቦታትኩ ከኣ ዝነበርዋን ሃገር ክነብሩ እዮም። ንሳቶምን ደቆምን ደቂ ደቆምን ንዘለኣለም ኣብኣ ኽነብሩ እዮም፡ ዳዊት ባርያይ ድማ ንዘለኣለም መስፍኖም ክኸውን እዩ። 26ኪዳን ሰላም ክኣትወሎም እየ፡ ዘለኣለማዊ ኪዳን ድማ ክዀነሎም እዩ። ክተኽሎምን ከብዝሖምን እየ። መቕደሰይ ከኣ ንዘለኣለም ኣብ ማእከሎም ከቝሞ እየ። 27ማሕደረይ ምሳታቶም ክኸውን እዩ፡ ኣነ ኸኣ ኣምላኾም ክኸውን እየ፡ ንሳቶምውን ህዝበይ ክዀኑ እዮም። 28መቕደሰይ ንዘለኣለም ኣብ ማእከሎም ምስ ኰነ ህዝብታት እቲ ንእስራኤል ዝቕድስሲ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክፈልጡ እዮም።

       ትን. ህዝቅኤል  ምዕራፍ 38            

   1ከምዚ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ከኣ መጸኒ፡ 2ኣታ ወዲ ሰብ፡ ገጽካ ናብ ጎግ ኣብ ሃገር ማጎግ፡ እቲ መስፍን ሮሽን ሜሴክን ቱባልን፡ መልስ እሞ ኣንጻሩ ተነበየሉ፡ 3በልውን፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኣታ ጎግ መስፍን ሮሽን ሜሴክ ቱባልን ኣብ ክሳድካ ኣሎኹ። 4-5ክመልሰካ፡ ኣብ ምንጋጋኻ ዓንቃሪቦ ኽገብር እየ፡ ንኣኻ ምስ ኵሉ ሰራዊትካ፡ ኣፍራስን ፈረሰኛታትን፡ ኵላቶም ድርዒ ዝለበሱ፡ ብዙሓት ሰብ ከኣ ዋልታን ገለብን ዘለዎም፡ ኵላቶም ሰይፊ ዝሓዙ፡ ምስኦም ከኣ ሰብ ፋርስን ኢትዮጵያን ፉጥን፡ ኵላቶም ዋልታን ቍራዕ ርእስን ዘለዎም ገይረ ኸውጽኣካ እየ። 6ጎሜርን ኵሉ ጭፍራኡን ቤት ቶጋርማ ኻብ ወሰናይ ሰሜንን ኵሉ ጭፍራኡን፡ ብዙሓት ህዝቢ ምሳኻ እዮም። 7ተዳሎ፡ ንስኻን ኵሉ እቲ ኣባኻ ተኣኪቡ ዘሎ ህዝብኻን ተሰለፍ፡ ንስኻውን ሓለቓኦም ኩን። 8ድሕሪ ብዙሕ ዘመን ክትከትት ኢኻ። ኣብተን ዳሕሮት ዓመታት ናብታ ኻብ ሰይፊ እተናገፈት፡ ካብ ብዙሓት ህዝብታት እተኣከበት፡ ናብቲ ነዊሕ ግዜ ዝባደመ ኣኽራን እስራኤል ክትኣቱ ኢኻ። ካብ ህዝብታት ወጺኣስ፡ ኵላቶም ሃዲኦም ይነብሩላ ኣለዉ። 9ንስኻ ኽትድይብ ከም ህቦብላ ንፋስ ከኣ ክትመጽእ ኢኻ፡ ንስኻ ምስ ኵሉ ጭፍራታትካን ምስቶም ምሳኻ ዘለዉ ብዙሓት ህዝብታትን ከምቲ ንምድሪ ዘጐልብባ ደበና ኽትከውን ኢኻ።
10እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ነገር ኣብ ልብኻ ኽትንስእ እዩ፡ እኩይ እማመ ኽትእምም ኢኻ፡ 11እሞ፡ ናብታ ዘይተዓርደት ሃገር ክድይብ፡ ናብቶም ሃዲኦም ብደሓን ዝነብሩ፡ ዅላቶም ብዘይ ቀጽሪ ዘለዉ፡ መሃርሃርን መዓጹን ዘይብሎም ህዝቢ ሓደጋ ኽወድቆም እየ፡ ክትብል ኢኻ። 12ክትማርኽን ክትብዝብዝን፡ ናብቲ ዓንዩ ነይሩስ ሕጂ ሰብ ዝነብረሉ ዘሎ፡ ናብቲ ኸብትን ሃብትን ዘጥረየ፡ ካብ ህዝብታት እተኣከበ፡ ኣብ ሕምብርቲ ምድሪ ዝነብር ዘሎ ህዝቢ ኢድካ ኽትዝርግሕ ክትድይብ ኢኻ። 13ሳባን ዴዳን ነጋዶ ተርሲስን እቶም ኰረኵር ኣናብሱን፡ ምርኮ ኽትማርኽዶ መጺእካ፡ ዘመተ ኽትዘምት፡ ብሩርን ወርቅን ክትወስድ፡ ከብትን ሃብትን ክትሕዝ፡ ብዙሕ ምርኮ ኸተእቱዶ ንጭፍራታትካ ኣኽቲትካዮም፡ ክብሉኻ እዮም።
14ስለዚ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ ተነበ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኢልካውን ንጎግ ንገሮ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ህዝበይ እስራኤልሃዲኡ ምስ ተቐመጠ፡ ኣይክትፈልጦን ዲኻ፡ 15ንስኻ ምሳኻውን ብዙሓት ህዝብታት፡ ኵላቶም ኣብ ኣፍራስ ኣተቐመጡን ዓብዪ ጭፍራን ብርቱዕ ሰራዊትን ሒዝካ ኻብ ቦታኻ ኻብ ወሰን ሰሜን ክትመጽእ ኢኻ። 16ነታ ሃገር ከም ደበና ምእንቲ ኽትከድና፡ ናብ ህዝበይ እስራኤል ክትድይብ ኢኻ። ኣታ ጎግ፡ ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ክኸውን እዩ፡ እቶም ህዝብታት፡ ኣነ ኣብ ቅድሚ ዓይኖም ኣባኻ ምስ ተቐደስኩ፡ክፈልጡንስ፡ ናብ ሃገረይ ከደይበካ እየ።
17እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እቲ ኣነ ብጥንቲ ኣብኦም ከም ዘምጽኣካ በቶም በታ ዘመን እቲኣ ዓመት ንዓመት እተነበዩ ኣገልገልተይ ነብያት እስራኤል ገይረ ብዛዕባኻ እተዛረብኩስ ንስኻዶ ኣይኰንካን፡ 18እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ክኸውን እዩ፡ በታ ጎግ ንሃገር እስራኤል ክጻረረላ ዝመጸላ መዓልቲ፡ ነድረይ ክስርንቐኒ እዩ፡ ይብል ኣሎ። 19ብቕንኣተይን ብሓዊ ቝጥዓይን እብል ኣሎኹ፡ ርግጽ በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ሃገር እስራኤል ዓብዪ ምንቅጥቃጥ ክኸውን እዩ። 20ሽዑ ዓሳታት ባሕርን ኣዕዋፍ ሰማይን እንስሳ መሮርን ኵሉ ኣብ ምድሪ ለመም ዝብል ለመምታን ኣብ ዝባን ምድሪ ዘሎ ዅሉ ሰብን ኣብ ቅድመይ ራዕራዕ ክብሉ እዮም። ኣኽራን ክግልበጥ፡ ኣኻውሕ ክፈርስ፡ ኵሉ መናድቕ ከኣ ኣብ ኣብ ምድሪ ኽወድቕ እዩ። 21ኣነ ድማ ኣብ ኵሉ ኣኽራነይ ኣብ ልዕሊኡ ሰይፊ ኽጽውዓሉ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ሰይፊ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ርእሲ ሓዉ ክኸውን እዩ። 22ብፌራን ብደምን ክፈርደሉ እየ። ኣባኡን ኣብ ጭፍራኡን ኣብቶም ምስኡ ዘለዉ ብዙሓት ህዝብታትን ዝናም ሃጽፍን በረድን ሓውን ዲንን ከዝንም እየ። 23በዚ ኸምዚ ኣነ ግርማውን ቅዱስን ምኻነይ ክግሃድ፡ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ ብዙሓት ህዝብታት ከኣ ባዕለይ ክፍለጥ እየ። ንስቶምውን ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ክፈልጡ እዮም።

       ትን. ህዝቅኤል  ምዕራፍ 39            

   1ኣታ ወዲ ሰብ፡ ንጎግ ተነበየሉ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኢልካውን ንገሮ፡ ኣታ ጎግ መስፍን ሮሽን ሜሴክን ቱባልን፡ እኔኹ፡ ከረኻኽበልካ እየ። 2መሪሐን ደሪኸን ካብ ወሰን ሰሜን ከውጽኣካ፡ ናብ ኣኽራን እስራኤል ከኣ ከእትወካ እየ። 3ንቐስትኻ ካብታ ጸጋመይቲ ኢድካ ኽድርብዮ፡ ንፍላጻታትካ ኸኣ ካብታ የማነይቲ ኢድካ ኸውድቖ እየ። 4ንስኻ ምስ ኵሉ ጭፍራኻን ምስቲ ምሳኻ ዘሎ ህዝብን ኣብ ኣኽራን እስራኤል ከትወድቅ ኢኻ። ክበልዑኻውን ንጋባትን ንበብዓይነቶም ዝዀኑ ኣዕዋፍን ንኣራዊት ግዳምን ክውፍየካ እየ። 5ኣነ ተዛሪበ እየ እሞ፡ ኣብ መሮር ክትወድቕ ኢኻ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። 6ኣብ ማጎግን ናብቶም ኣብ ደሴታት ሃዲኦም ዝነብሩ ዘለዉን ሓዊ ኽሰድድ እየ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ ከኣ ክፈልጡ እዮም። 7እቲ ቅዱስ ስመይ ኣብ ማእከል ህዝበይ እስራኤል ከፍልጦ ኣየ። ድሕርዚ ድማ እቲ ቅዱስ ስመይ ኣይከርክሶን እየ። እቶም ህዝብታት ከኣ ኣነ እግዚኣብሄር እቲ ኣብ እስራኤል ቅዱስ ምዃነይ ክፈልጡ እዮም። 8እንሆ፡ ይመጽእ ክኸውን ድማ እዩ። እታ ብዛዕባኣ እተዛረብኩላ መዓልቲ እዚኣ እያ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
9እቶም ኣብ ከተማታት እስራኤል ዝነብሩ ዘለዉ ድማ ክወጹ እዮም እሞ፡ ኣጽዋርን ዋላቱን ገለባትን ቀስትታትን ፍላጻታትን ኣጕማድን ኲናውትን ሓዊ ኣጒዶም ከንድድዎ እዮም። ሾብዓተ ዓመትውን ብእኡ ሓዊ ኸንድዱ እዮም። 10በቲ ኣጽዋር ገይሮም ሓዊ ኽኣጕዱ እዮም እሞ፡ ካብ መሮር ዕጨይቲ ኣይከእትዉን፡ ካብ ዱር ከኣ ኣይክቘርጹን እዮም። ነቶም ዝገፈፍዎም ክገፍዎም፡ ነቶም ዝዘመትዎም ከኣ ክዘምትዎም እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
11በታ መዓልቲ እቲኣ ንጎግ ኣብ እስራኤል ብወገን ባሕሪ ዘሎ፡ ለሰ ሓለፍቲ መገዲ ዝበሃል መቓብር ክህቦ እየ። ነቶም ብእኡ ዝሓልፉ ኸኣ መገዶም ክዓጽወሎም እዩ። ኣብኡውን ንጎግን ንዅሉ እቲ ብዙሕ ሰቡን ክቐብርዎም እዮም። ለሰ ሃሞናጎግ ድማ ክበሃል እዩ። 12ቤት እስራኤል ከኣ፡ ነታ ሃገር ምእንቲ ኸጽርዩስ፡ ብሾብዓተ ወርሒ ክቐብርዎም እዮም። 13ኵሉ ህዝቢ እታ ሃገር ክቐብሮም እዩ። እዚውን በታ ኣነ ዝኸብረላ መዓልቲ ንስም ክዀኖም እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። 14ምእንቲ ኸጽርዮስ፡ ነቶም ኣብ ልዕሊ ምድሪ ወዲቖም ዝጸንሑ ክቐብሩ፡ ምስቶም ቀባሮ ኸይኖም ነታ ሃገር ከየቛረጹ ዝዞርዋ ሰብኡት ከመቕርሑ እዮም። ድሕሪ ሾብዓተ ወርሒ ሃለው ክብሉ እዮም። 15እቶም እናዞሩ ብታ ሃገር ዝሓልፉ፡ ሓደ ኻብኦም ዓጽሚ ሰብ እንተ ረኣየ፡ እቶም ቀባሮ ኣብ ለሰ ሃሞናጎግ ክሳዕ ዝቐብሮም፡ መሓበርታ ኽገብረሉ እዩ። 16ስም እታ ኸተማ ኸኣ ሃሞና ኽበሃል እዩ። በዚ ኸምዚ ነታ ሃገር ከጽርይዋ እዮም።
17ኣታ ወዲ ሰብ፡ ንዅለን ነፈርቲ ኣዕዋፍን ንዅሎም ኣራዊት መሮርን፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኢልካ ንገሮም፡ ተኣኻኺብኩም ንዑ። ስጋ ኽትበልዑ ደም ከኣ ክትሰትዩስ፡ ናብቲ ኣነ ዝሓረድኩልኩም መስዋእቲ፡ ናብቲ ዓብዪ መስዋእቲ ኣኽራን እስራኤል ካብ ኵሉ ወገን ተኣካኸቡ። 18ስጋ እቶም ጀጋኑ ኽትበልዑ፡ ደም እቶም ምሳፍንቲ ምድሪ ኽትሰዩ ኢኹም። ናይ መኻክትን ገናሽልን ድቤላታትን ኣብዑርን እዩ፡ ኵላቶም ኣብ ባሳን ዝሰብሑ እዮም። 19ካብቲ ኣነ ዝሓረድኩልኩም መስዋእቲ ሕሩድ ክሳዕ እትጸግቡ እቲ ስቡሕ ክትበልዑ፡ ክሳዕ እትሰኽሩ ድማ ደም ክትሰትዩ ኢኹም። 20ኣብ መኣደይ በፍራስን ብፈረሰኛታትን ብጀጋኑን ብዅሎም እቶም ተዋጋእትን ክትጸግቡ ኢኹም፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። 21ኣነ ኸኣ ግርማይ ኣብ ማእከል ህዝብታት ክገልጽ እየ። ኵሎም ህዝብታት ድማ ነቲ ዝፈጸምክዎ ፍርደይን ነታ ኣብ ልዕሊኦም ዘንበርክዎ ኢደይን ክርእዩ እዮም። 22ካብታ መዓልቲ እቲኣ ንንየው ቤት እስራኤል ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምዃነይ ክፈልጡ እዮም። 23እቶም ህዝብታት ከኣ፡ ቤት እስራኤል ብሰሪ ኣበሳኦም ከም እተማረኹ ኽፈልጡ እዮም። ንኣይ ጠሊሞም እዮም እሞ፡ ገጸይ ከወልኩሎም፡ ኣብ ኢድ ጸላእቶም ወፌኽዎም፡ ኵላቶም ድማ ብሰይፊ ወደቑ። 24ከም ርኽሰቶምን ከም ኣበሳኦምን መጠን ገበርክዎም፡ ገጸይ ከኣ ከወልኩሎም።
25ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ሕጂ ንያእቆብ ካብ ምርኮ ኽመልሶ፡ ንዅላ ቤት እስራኤል ከኣ ክምሕራ፡ ስለ እቲ ቅዱስ ስመይ ድማ ክጽዕት እየ። 26-27ካብ ማእከል ህዝብታት ምስ መለስክዎም፡ ካብ ሃገር ጸላእቶምውን ምስ ኣካኸብክዎም፡ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ ብዙሓት ህዝብታት ኣባታቶም ምስ ተቐደስኩ፡ ሓደ እኳ ዘፍርሆም ዘይብሎም ኣብ ሃገሮም ሃዲኦም ምስ ተቐመጡ፡ ነውሮም ንኣይ ዝጠለምዎ ዅሉ ጥልመት ክጾሩ እዮም። 28ኣነ ናብ ማእከል ህዝብታት ኣማሪኸዮም ነይረስ፡ ድሕርዚ ኸኣ ካባታቶም ሓደ እኳ ኣብኣ ኸየትረፍኩ ናብ ሃገሮም ምስ ኣካኸብክዎም፡ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምዃነይ ክፈልጡ እዮም። 29መንፈሰይ ኣብ ልዕሊ ቤት እስራኤል ምስ ከዖኹ፡ ድሕሪ ደጊም ገጸይ ኣይክኽውለሎምን እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።

       ትን. ህዝቅኤል  ምዕራፍ 40            

   1ካብ እንማረኽ ኣብ መበል ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት፡ ኣብ መጀመርታ እታ ዓመት፡ ኣብ ዓስረይቲ መዓልቲ እታ ወርሒ፡ እታ ኸተማ ኻብ እትተሓዝ ኣብ መበል ዓሰርተው ኣርባዕተ ዓመት፡ ልክዕ በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ንሱውን ናብ ንየው ወሰደኒ። 2ብራእይ ኣምላኽ ናብታ ሃገር እስራኤል ወሰደኒ፡ ኣብ ነዊሕ ከረን ከኣ ኣንበረኒ። ኣብኡውን ብወገን ደቡብ ከም ህኑጽ ከተማ ነበረ። 3ናብኣ ኸኣ ወሰደኒ፡ እንሆ ድማ፡ ከም ኣስራዚ ዝትርኢቱ ሰብኣይ፡ ናይ ልሕጺ እንጣጢዕ ገመድን ዝእምተሉ ዘንግን ኣብ ኢዱ ሒዙ፡ ኣብታ ደገውን ደው ኢሉ ነበረ። 4እዚ ሰብኣይ እዚ ኸኣ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ ምእንቲ ኸርእየካ፡ ናብዚ ተመሪሕካ ኢኻ እሞ፡ ነቲ ኣነ ዘርእየካ፡ ናብዚ በዒንትኻ ጠምቶ፡ በእዛንካ ድማ ስምዓዮ፡ ብልብኻ ኸኣ ኣቕልበሉ። እቲ ዝርኣካዮ ዅሉውን ንቤት እስራኤል ንገሮም፡ በለኒ።
5እንሆ ኸኣ፡ ነታ ቤት ብወጻኢ መንደቕ ከቢብዋ ነበረ። እቲ ሰብኣይ ኣብ ኢዱ ሒዝዋ ዝነበረ መኣመቲት ሻምብቆ ኸኣ ምንዋሓ ሹድሽተ እመት እያ። እተን እመት ድማ አእመትን ስድርን እየን። ንሱ ወርዲ እቲ መንደቕ ኣመተ፡ ሓንቲ ሻምብቆ ዀነ፡ ቍመቱውን ሓንቲ ሻብምቆ። 6ድሕርዚ ናብታ ኣብ ወገን ምብራቕ ዘላ ደገ መጸ፡ ብደረጃታታ ኸኣ ደየበ። ነታ መድረኽ እታ ደገ ድማ ኣመታ፡ ወርዳ ሓንቲ ሻምብቆ ዀነት፡ እታ ኻልኣይቲውን ወርዳ ሓንቲ ሻምብቆ። 7ነፍሲ ወከፍ ክፍሊ ከኣ ምንዋሓ ሓንቲ ሻምብቆ፡ ወርዳ ድማ ሓንቲ ሻምብቆ እያ። ምርሕሓቕ እተን ክፍልታት ከኣ ሓሓሙሽተ እመት እዩ። እታ ኣብታ ናይ ደገ ገበላ ዘላ መድረኽ እታ ደገ ብወገን ውሽጢውን ሓንቲ ሻምብቆ ዀነት። 8ነቲ ብወገን ውሽጢ ዘሎ ገበላ እታ ደገ ኣመተ፡ ሓንቲ ሻምብቆውን ኰነ። 9ንገበላ እታ ደገ ኣመቶ፡ ሾሞንተ እመት ከኣ ዀነ፡ ኣዕኑድ ሰቕሰቓ ድማ ከክልተ እመት ኰነ። ገበላ እታ ደገውን ብወገን ውሽጢ እዩ። 10እተን ናይቲ ናብ ምብራቕ ዘብል ደገ ክፍልታት ሰለስተ በዚ ሰለሰተ ድማ በቲ እየን። ሰለስቲኤን ልክዕ ሓደ ስፍሪ እየን፡ እተን ኣዓኑድ ከኣ በዝን በትን ልክዕ ሓደ ስፍሪ እየን። 11ወርዲ እታ ደገ ኣመቶ፡ ዓሰረተ እመት ከኣ ዀነ። ምንዋሕ እታ ደገ ድማ ዓሰርተው ሰለስተ እመት ኰነ። 12ኣብ ቅድሚ እተን ክፍልታት ዘሎ ሕዳጋት ድማ ሓንቲ እመት በዚ ሓንቲ እመትውን በቲ እዩ። እተን ክፍልታት ከኣ በዚ ወገን እዝን በቲ ወገን እትን ሸሽዱሽተ እመት እዩ። 13ነቲ ደገ ኻብ ናሕሲ እታ ሓንቲ ቤት ክሳዕ ናሕሲ እታ ኻልአይቲ አመተ፡ ወርዱ ኸኣ፡ ካብ ደገ ንደገ ዕስራን ሓሙሽተን እመት ኰነ። 14ነቲ ኣዕኑድ ሰቕሰቕ ድማ ብዙርያኡ ኽሳዕ እቲ ዓንዲ ኣጸድ ደገ ስሳ እመት ገበሮ። 15ካብ ግምባር እታ ኣፍ ደገ ኽሳዕ ግምባር ገበላ እታ ውሽጣዊት ደገ ድማ ሓምሳ እመት እዩ። 16ኣብተን ክፍልታትን ኣብተን ኣብ ውሽጢ ደገ ዘለዋ ኣዕንኑድን ብዅሉ ዙርያኤን ዓይነ ርግቢ ዘለዎ መሳዅቲ ነበረን። ከምኡውን ኣብተን ገበላታት ብወገን ውሽጠን ብዅሉ ዙርያኤን መሳዅቲ ነበረን። ኣብ ልዕሊ እተን ኣዕኑድ ከኣ ስየታት ነበረ።
17ናብቲ ወጻኢ ኣጸድ ድማ ወሰደኒ፡ እንሆ ኸኣ፡ ኣብኡ ክፍልታት ኣባይቲ ነበረ፡ ዙርያ እቲ ኣጸድውን ብእምኒ ተነጺፉ ነበረ። ኣብቲ እምኒ እተነጽፎ ድማ ሰላሳ ኽፍሊ ቤት ነበረ። 18እቲ ብእምኒ እተነጽፈ ምድሪ ኣብ ጥቓ ደጌታት እዩ፡ ልክዑ ኸኣ ከም ምንዋሕ እቲ ደጌታት እዩ። እዚ እቲ ታሕታይ ብእምኒ እተነጽፈ ምድሪ እዩ። 19ካብ ቅድሚ እታ ታሕተይቲ ደገ ሒዙ ኽሳዕ እታ ውሽጣዊት ኣጸድ ብወጻኢ ነቲ ወርዳ ኣመቶ፡ ብወገን ምብራቕን ሰሜንን ከኣ መሚእቲ እመት እዩ።
20ነቲ ንሰሜን ገጹ ዘሎ ናይ ወጻኢ ኣጸድ ደገ ምንዋሑን ወርዱን ኣመቶ። 21ክፍልታት በዚ ሰለስተ፡ ሰለስተ ኸኣ በቲ ነበረ። ኣዕኑድ ሰቕሰቑን ገበላታቱን፡ ከምቲ ስፍሪ እታ ቐዳመይቲ ደገ፡ ንዋሑ ሓምሳ እመት፡ ወርዱውን ዕስራን ሓሙሽተን እመት እዩ። 22መሳዅታን ገበላኣን ስየታታን ብልክዕ እታ ናብ ምብራቕ እተብል ደገ እዩ። መደያይቦኣ ኸኣ ሾብዓተ ደረጃ እዩ፡ ገበላታት ድማ ኣብ ቅድሚኡ ነበረ። 23ደገ እታ ውሽጣዊት ኣጸድ ድማ በንጻር እተን ንምብራቕን ንሰሜንን ዝርእያ ደጌታት እያ። ካብታ ሓንቲ ደገስ ክሳዕ እታ ሓንቲ ደገ ኣመተ፡ ሚእቲ እመት ከኣ ዀነ።
24ድሕርዚ ናብ ደቡብ ኣቢሉ መርሓኒ፡ እንሆ ኸኣ፡ ናብ ደቡብ እተርኢ ደገ እያ። ነዕኑዳን ገበላታትን ከኣ ክንዲ እተን መስፈሪ ኣመተን። 25ከምተን መሳዅቲ ኸኣ ኣብኣን ኣብ ዙርያ ገበላታትን መሳዅቲ ነበራ። ምንዋሓ ሓምሳ እመት፡ ወርዳውን ዕስራን ሓሙሽተን እመት እዩ። 26መደያይቦኣ ኸኣ ሾብዓተ ደረጃ እዩ፡ ገበላታታ ድማ ኣብ ቅድሚኡ እዩ። ኣብ ርእሲ ኣዕኑዱ ኸኣ ስየታት፡ ሓደ በዚ፡ ሓደ በቲ ነበረ። 27እታ ውሽጣዊት ኣጸድ ብወገን ደቡብ ደገ ኣለዋ። ካብታ ሓንቲ ደገስ ናብታ ሓንቲ ኣብ ወገን ደቡብ ዘላ ደገ ኣመተ፡ ሚእቲ እመት ከኣ ዀነ።
28በታ ደገ ደቡብ ኣቢሉ ድማ ናብታ ውሽጣዊት ኣጸድ ኣእትወኒ። ነታ ደገ ደቡብ ከኣ ክንዲ እተን መስፈሪ ኣመታ። 29እቃቤታታን ኣዕኑዳን ገበላታታን ከኣ ክንዲ ኣቲ መስፈሪ እዩ። ኣብኣን ኣብ ዙርያ ገበላታታን ድማ መሳዅቲ ኣለዋ። ምንዋሓ ሓምሳ እመት፡ ወርዳውን ዕስራን ሓሙሽተን እመት እዩ። 30ዕስራን ሓሙሽተን እመት ዝምንዋሑ፡ሓሙሽተ እመት ከኣ ዝወርዱ ገበላታት ብዙርያኣ ኣሎ። 31ገበላታቱ ናብቲ ኣብ ወጻኢ ዘሎ ኣጸድ ኣቢሉ እዩ። ኣብ ርእሲ ኣዕኑድ ሰቕሰቑ ኸኣ ስየታት ኣሎ፡ መደያይቦኡ ሾሞንተ ደረጃ እዩ።
32ናብታ ኣብ ምብራቕ ዘላ ውሽጣዊት ኣጸድ ወሰደኒ እሞ ነታ ደገ ክንዲ እቲ መስፈሪ ኣመታ። 33እቃቤታታን ኣዕኑድ ሰቕሰቓን ገበላታታን ክንዲ እቲ መስፈሪ እዩ፡ ኣብኣን ኣብ ዙርያ ገበላታታን መሳዅቲ ኣሎ። ምንዋሓ ሓምሳ እመት፡ ወርዳ ኸኣ ዕስራን ሓሙሽተን እመት እያ። 34ገበላታታ ናብቲ ኣብ ወጻኢ ዘሎ ኣጸድ ኣቢሉ እዩ። ኣብ ርእሲ ኣዕኑዳ ድማ ስየታት በዝን በትን ኣሎ። መደያይቦኣውን ሸሞንተ ደረጃ እዩ።
35ናብ ሰሜናዊት ደገ ወሰደኒ፡ ክንዲ እቲ መስፈሪ ኸኣ ኣመቶ፡ 36እቃቤታታን ኣዕኑድ ሰቕሰቓን ገበላታታን ከኣ ከምኡ፡ መሳዅቲውን ብዙርያኣ ኣሎ። ምንዋሓ ሓምሳ እመት፡ ወርዳ ድማ ዕስራን ሓሙሽተን እመት እዩ። 37ኣዕኑድ ሰቕሰቓ ናብቲ ኣብ ወጻኢ ዘሎ ኣጸድ ኣቢሉ እዩ፡ ኣብ ርእሲ ኣዕኑዳ ኸኣ በዝን በትን ስየታት ኣሎ፡ መደያይቦኣውን ሾሞንተ ደረጃ እዩ።
38ኣብ ጥቓ እተን ኣዕኑድ ሰቕሰቕ ደጌታት ድማ ሓንቲ ኽፍሊ ቤት ምስ መእተዊኣ ኣላ። ኣብኣውን መስዋእቲ ምሕራር ይሓጽቡ ነበሩ። 39ኣብታ ገበላ ደገ ኸኣ፡ መስዋእቲ ምሕራርን መስዋእቲ ሓጢኣትን መስዋእቲ ዕዳን ዝሓርዱሉ ኽልተ ሰደቓ በዚ፡ ክልተ ሰደቓ ድማ በቲ ኣሎ። 40ኣብ ጥቓ እቲ ብወጻኢ ዘሎ ናብ ደገ ሰሜን ዘደይብ መደያይቦ ኸኣ ክልተ ሰደቓ ኣሎ፡ ኣብቲ ኻልእ ወገን እታ ገበላ ደገ ድማ ክልተ ሰደቓ ኣሎ። 41እምብኣርስ ኣብ ጥቓ እታ ደገ ኣርባዕተ ሰደቓ በዚ፡ ኣርባዕተ ሰደቓ ኸኣ በቲ ኣሎ፡ እዚ መስዋእቲ ዝሓርዱሉ ሸሞንተ ሰደቓ እዩ። 42ንመስዋእቲ ምሕራር ዝኸውን ካብ ውቑር እምኒ እተገብረ ኣርባዕተ ሰደቓ ኣሎ። ምንዋሑ እመትን ስድርን፡ ወርዱ እመትን ስድርን፡ ምብራኹ ሓደ እመት እዩ። ኣብኡውን ነቲ ንመስዋእቲ ምሕራርን ንመስዋእትን ዝሓርዱሉ መሳርያ ዝንበሮ እዩ። 43ሰስድሪ ዝምንዋሑ ኵላባት ብውሽጢ ኣብ ዙርያኡ ተጋጢሙ ኣሎ። እዚ ሰደቓታት እዚ እቲ ስጋ መስዋእቲ ዝንበሮ እዩ።
44ኣብ ውሽጣዊ ኣጸድ ኣብ ወጻኢ እታ ውሽጣዊት ደገ ኸኣ ንመዘምራን እተገብረ ኽፍልታት ኣባይቲ ኣሎ። ሓንቲ ኣብ ጥቓ እታ ሰሜናዊት ደገ ናብ ደቡብ ኣቢላ እያ። እታ ሓንቲውን ኣብ ጥቓ እታ ምብራቓዊት ደገ ኣላ፡ ገጻ ኸኣ ናብ ሰሜን ኣቢላ እያ። 45ንሱውን በለኒ፡ እዛ ንደቡብ ኣቢላ ዘላ ኽፍሊ ቤት ነቶም ነታ ቤት ከገልግሉ እተመደቡ ኻህናት እያ። 46እዛ ንሰሜን ኣቢላ ዘላ ኽፍሊ ቤት ድማ ነቶም ኣብታ መሰውኢ ኸገልግሉ ዝነቕሑ ኻህናት እያ። ንሳቶም ከገልግልዎ ናብ እግዚኣብሄር ዝቐርቡ ኻብ ደቂ ሌውስ ደቂ ጻዶቅ እዮም። 47ነቲ ኣርባዕተ ዝመኣዝኑ ኣጸድ ኣመቶ፡ ምንዋሑ ሚእቲ እመት፡ ወርዱውን ሚእቲ እመት እዩ። እቲ መሰውኢ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እታ ቤት እዩ ዘሎ።
48ናብ ገበላ እታ ቤት ከኣ ወሰደኒ፡ ነቲ ኣዕኑድ ሰቕሰቕ እታ ገበላ ድማ ኣመቶ፡ ሓሙሽተ እመት በዚ፡ ሓሙሽተ እመት በቲ እዩ። ወርዲ እታ ደገ ኸኣ ሰለስተ በዚ፡ሰለስተ እመት በቲ እዩ። 49ምንዋሕ እታ ገበላ ዕስራ እመት፡ ወርዳ ኸኣ ዓሰርተው ሓደ እመት እዩ፡ በቲ ደረጃታት ድማ ይድይብዋ ነበሩ። ኣብ ጥቓ እቲ ኣዕኑድ ሰቕሰቕ ከኣ ሓደ በዚ፡ ሓደውን በቲ ኣዕኑድ ኣሎ።

       ትን. ህዝቅኤል  ምዕራፍ 41            

   1ናብታ መቕደስ ድማ ኣእተወኒ። ነቲ ዓንዲ ሰቕሰቕውን ኣመቶ፡ እቲ ወርዱ ኸም ወርዲ እታ ድንኳን፡ ሹድሽተ እመት በዚ፡ ሹድሽተ እመት ከኣ በቲ ዀነ፡ 2ወርዲ እታ ኣፍ ደገ ኸኣ ዓሰርተ እመት እዩ፡ ገንዚ እታ ኣፍ ደገ ድማ ሓሙሽተ እመት በዚ፡ ሓሙሽተ እመት ከኣ በቲ እዩ። ምንዋሓ ኣርባዓ እመት፡ ወርዳውን ዕስራ እመት ኣመተ። 3ድሕርዚ ናብ ውሽጢ ኣተወ እሞ ንሰቕሰቕ እታ ኣፍ ደገ ኽልተ እመት፡ ነታ ኣፍ ደገ ኸኣ ሹድሽተ እመት ኣመቶ። 4ነቲ ቕድሚ መቕደስ ምነዋሑ ዕስራ እመት፡ ወርዱ ኸኣ ዕስራ እመት ኣመት። እዚኣ እታ ቅድስቲ ቅዱሳን እያ፡ ከኣ በለኒ።
5ድሕርዚ መንደቕ እታ ቤት ሹድሽተ እመት ኣመተ። ኣብ ዙርያ እታ ቤት ብዅሉ ወገና ዘለዋ ኽፍልታት ኣባይቲ ኸኣ ወርደን ኣኣርባዕተ እመት ኣመተ። 6እተን ብጎቦታታ ዝነበራ ኽፍሊ ኣባይቲ ሓደ ኣብ ልዕሊ እቲ ሓደ ሰለስተ ደርቢ ዘለወን ሰላሳ እየን። ኣብ መንደቕ እታ ቤት ከይተጸግዓስ፡ ኣብቲ ኣብ ዙርያ ኽፍልታት ኣባይቲ ዘሎ መንደቕ እታ ቤት ክጸግዓ፡ ኣብኡ ተጋጢመን እየን። 7ኣብ ዙርያ እታ ቤት ካብ ደርቢ ናብ ደርቢ ዝዘውር መደያይቦ ነበረ እሞ፡ እቲ ኽፍልታት ኣባይቲ ብዙርያ ንላዕሊ ኣቢሉ ብዝወጸሉ መጠን እናገፍሐ እዩ ዝኸይድ። ስለዚ ምግፋሕ እታ ቤት ናብ ላዕሊ ኣቢሉ እዩ። ከምኡውን ካብ ታሕትስ ብላዕሊ ብማእከላይ ኣቢሉ መደየቢ ኣለዋ። 8ኣነ ኸኣ ነታ ቤት ብዙርያኣ ልዕል ዝበለ መሰረት ከም ዘለዋ ርአኹ። እቲ መሰረት እተን ብጎቦ ዝነበራ ኽፍልታት ኣባይቲ ድማ በታ ሻምብቆ ሹድሽተ እመት ልክዕ እዩ። 9እተን ብጎቦ ዘለዋ ኽፍልታት ኣባይቲ እተሃንጻሉ መንደቕ፡ ወርዱ ብወጻኢ ሓሙሽተ እመት እዩ። ኣብ መንጎ እተን ብጎቦ ዝነበራ ኽፍልታት ኣባይቲ ኸኣ ንኣምፉ ዝነብር ቦታታት ኣሎ። 10ኣብ መንጎ እተን ክፍልታት ኣባይቲ ድማ ብዙርያ እታ ቤት ዐዕስራ እመት እዩ። 11ደጌታት እተን ቤት ብጎቦ ዘለዋ ኽፍልታት ኣባይቲ ኸኣ ናብቲ ንኣምፉ ዝነበር ቦታታት፡ሓንቲ ደገ ንሰሜን፡ ሓንቲ ኸኣ ንደቡብ ኣቢለን እየን። እቲ ንኣምፉ ዘሎ ቦታ ኸኣ ብዙርያኡ ወርዱ ሓሓሙሽተ እመት እዩ።
12እቲ ኣብ ቅድሚ እቲ ንኣምፉ ዘሎ ሕዳግ እተሃንጸ ንምዕራብ ወገኑ ወርዱ ሰብዓ እመት እዩ። ናይቲ እተሃንጸ ገንዚ መንደቕ ብዙርያኡ ሓሙሽተ እመት እዩ፡ምንዋሑ ኸኣ ተስዓ እመት እዩ። 13ነታ ቤት ድማ ኣመታ፡ ምንዋሓ ሚእቲ እመት ኰነት። እቲ ንኣምፉ ዘሎ ቦታን እቲ ህኑጽን መንደቑን ከኣ ምንዋሑ ሚእቲ እመት ኰነ። 14ቅድሚት እታ ቤት ምስ ናይ እቲ ናብ ምብራቕ ኣቢሉ ንኣምፉ ዘሎ ቦታ፡ ወርዱ ሚእቲ እመት እዩ።
15ንሱ ኸኣ ነቲ ኣብ ቅድሚት እቲ ንኣምፉ ዝዀነ ቦታ ኽሳዕ እቲ ብወገን ድሕሪት ዘሎ ህንጻን፡ ነቲ በዝን በትን ዘሎ መተሓላለፊኡን ኣመቶ፡ ምንዋሑ ድማ ሚእቲ እመት ኰነ። እታ ውሽጣዊት መቕደስን እቲ ገበላታት እቲ ኣጸድን፡ 16መድረኻትን እቲ ብሽቦ እተገብረ መሳዅትን ኣብ ዙርያ እተን ሰለስተ ደርብታት ዘሎ መተሓላለፍን ኣንጻር እቲ ልዳት፡ ካብ ምድሪ ጀሚሩ ኽሳዕ እቲ መሳዅቲ ብዙርያኡ ብሉሕ ተኸድኑ እዩ፡ እቲ መሳዅቲ ድማ ክዱን እዩ። 17ካብ ልዕሊ እታ ደገ ኽሳዕ እታ ውሽጣዊት ቤት፡ ብወጻእን ብዙርያ ዅሉ እቲ መንደቕን፡ ብኣታዊኡን ብወጻኢኡን ብልክዕ እዩ። 18ኪሩቤልን ስየን ተቐሪጽዎ ኣሎ። ኣብ መንጎ ኪሩቤልን ኪሩቤልን ከኣ ሓንቲ ስየ ኣላ። ነፍሲ ወከፍ ኪሩቤል ከኣ ከክልተ ገጽ ኣለዎ። 19ነታ ስየን ናብዚ ወገና ገጽ ሰብ፡ ነታ ስየስ ናብቲ ወገና ኸኣ ገጽ ኣንበሳ ኣለዋ። ንብዘላ እታ ቤት ብዅሉ ዙርያኣ ኸምኡ ተገይርዋ እዩ። 20ካብ ምድሪ ሒዙ ኽሳዕ እቲ ልዕሊ ደጊኣ ኪሩቤል ስየን ተቕሪጽዎ ኣሎ። እቲ መንደቕ እታ ቤተ መቕደስውን ከምኡ እዩ። 21ልዳውቲ እታ መቕደስ ኣርባዕተ ዝመኣዝኑ እዩ። ደገ እታ ቅድስቲ ቦታ ድማ ትርኢቱ ኸምኡ እዩ። 22እቲ መሰውኢ ድማ ካብ ሉሕ እተገብረ እዩ። ቍመቱ ሰለስተ እመት፡ ምንዋሑ ኽልተ እመት እዩ። መኣዝን ከኣ ኣለዎ፡ ግድጊዳኡ ኸኣ ሉሕ እዩ። ንሱውን፡ እዚኣስ እታ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዘላ መኣዲ እያ፡ በለኒ። 23ንታ መቕደስን ቅድስቲ ቦታን ክልተ ማዕጾ ኣለዋአን። 24ነፍሲ ወከፍ ማዕጾ ድማ ክልተ መቃን፡ ኣብ ከክልተ ዝዕጸፉ መቃን፡ ነታ ሓንቲ ማዕጾ ኽልተ መቃን፡ ነታ ኻልኣይቲ ኸኣ ክልተ መቃን ኣለዋአን። 25ከምቲ ኣብ መንደቕ ዘሎ፡ ኣብተን ደጌታት መቕደስ ከኣ ኪሩቤልን ስየን ተቐሪጽወን ኣሎ። ኣብ ወጻኢ እቲ ገጽ ገበላ ኸኣ ካብ ረጕድ ኦም እተገብረ ናሕሲ ኣሎ። 26ኣብ ጎቦታት እታ ገበላ ኸኣ በዝን በትን ዓይኒ ርግቢ ዘለወን መሳዅትን ስየን ኣለዋ። እተን ብጎቦ ዝነበራ ኽፍልታት ኣባይቲ እቲ ህንጻን እቲ ናሕሲ ዕጨይትን ከኣ ከምኡ እዩ።

       ትን. ህዝቅኤል  ምዕራፍ 42            

   1ድሕርዚ ንሱ ናብቲ ሰሜን ዘብል መገዲ ናብ ወጻኢ ኣጻድ ኣውጽኣኒ። ናብቲ ኣብ ቅድሚ እቲ ንኣምፉ ዘሎ ቦታን ኣብ ግምባር እቲ ናብ ሰሜን ዝርኢ ህንጻን ዘሎ ኽፍሊ ቤት ከኣ ኣእተወኒ። 2እታ ደጊኣ ናብ ሰሜን ኣቢላ እትርኢ፡ ምንዋሓ ሚእቲ እመት ወርዳ ኸኣ ሓምሳ እመት እዩ። 3ኣብ ኣንጻር እታ ዕስራ ዝእመታ ውሽጣዊት ኣጻድ፡ ኣብ መንጽር እቲ ኣብ ወጻኢ ኣጸድ ዘሎ ምድሪ ቤት እምኒ ኸኣ መተሓላለፊ ኣብቲ ሰለስተ ደርቢ ኣሎ። 4ኣብ ቅድሚ እተን ክፍልታት ኣባይቲ ድማ ዓሰርተ እመት ዝወርዱ መተሓላለፊ ኣሎ። ናብ ውሽጢ ኸኣ ሓደ ዝእመቱ መገዲ ኣሎ። ደጌታታውን ናብ ሰሜን ኣቢለን እየን። 5እቲ መተሓላለፊታት ቦታ ስለ ዝወሰደለን፡ እተን ላዕሎት ክፍልታት ኣባይቲ ካብተን ታሕቶትን ማእከሎትን ናይቲ ህንጻ እየን። 6ንሳተን ሰለስተ ደርቢ እየን እሞ፡ ኣዕኑድሲ ኸምተን ናይ ኣጸድ ኣዕኑድ የብለንን። ስለዚ ካብ ምድሪ ቤት ሒዙ እተን ላዕሎት ክፍልታት ኣባይቲ ካብተን ታሕቶትን ማእከሎትን ይጸባ እየን። 7-8እተን ኣብ ወጻኢ ዘለዋ ኽፍልታት ኣባይቲ ምንዋሐን ሓምሳ እመት እዩ። እቲ ኣብ ኣንጻር ቤር መቕደስ ዘሎውን ሚእቲ እመት እዩ እሞ፡ እቲ ኣብ ቅድሚ ኽፍልታት ኣባይቲ ናብቲ ወጻኢ ኣጻድ ዘብል፡ ኣብ ወጻኢ፡ ኣብ ኣንጻር እቲ ኽፍልታት ኣባይቲ ዘሎ መንደቕ ምንዋሑ ሓምሳ እመት እዩ። 9ነቶም ካብ ወጻኢ ኣጸድ ዝኣትዉ፡ ኣብ ትሕቲ እዘን ክፍልታት ቤት እዝኤን ብወገን ምብራቕ መእተዊ ኣሎ።
10ኣብ ወገን ምብራቕ ኣብ ገንዚ እቲ መንደቕ ኣጻድ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ንኣምፉ ዘሎ ቦታን ኣብ ቅድሚ እቲ ህኑጽን ክፍልታት ኣባይቲ ኣለዋ። 11ኣብ ቅድሚኤን ከኣ፡ ከምቲ ናብ ሰሜን ዘብል ክፍልታት ኣባይቲ መተሓላለፊ ኣሎ፡ ምንዋሐንን ወርደንን፡ መውጽኢአንን ስርዓተንን ደጊአንን ማዕረ ማዕረ እዩ። 12ከምተን ናብ ደቡብ ዘብላ ደጌታት ክፍልታት ኣባይቲ፡ ኣብ ርእሲ እታ መገዲ ደገ ኣሎ። ንሳውን ነቶም ካብ ምብራቕ ዝኣትዉ ኣብ ቅድሚ እቲ መንደቕ ዘላ እያ። 13በለኒውን፡ እዘን ኣብ ቅድሚ እቲ ንኣምፉ ዘሎ ቦታ ናይ ሰሜንን ደቡብን ክፍልታት ኣባይቲ ቅዱሳት ክፍልታት ኣባይቲ እየን። ኣብአን እቶም ናብ እግዚኣብሄር ዝቐርቡ ኻህናት ነቲ ኣዝዩ ቅዱስ ነገር ክበልዑ እዮም። ቅዱስ ቦታ እዩ እሞ፡ ኣብኡ ነቲ ኣዝዩ ቅዱስ ነገር መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ ሓጢኣትን መስዋእቲ ዕዳን ከንብሩ እዮም። 14እቶም ካህናት ምስ ኣተዉ፡ እተን ዘገልግሉለን ኣልባሳት ቅዱሳት እየን እሞ፡ ኣብኡ ከየንብርወን፡ ካብታ መቕደስ ናብ ወጻኢ ኣጸድ ኣይውጽኡ፡ ካልእ ክዳውንቲ ይከደኑ እሞ ናብቲ ንህዝቢ እተመደበ ቦታ ይውጽኡ።
15ነታ ውሽጣዊት ቤት ኣሚቱ ምስ ወድአ፡ በታ ናብ መገዲ ምብራቕ እተብል ደገ ኣውጽኣኒ፡ በዝን በትን ብዙርያኡ ኣመታ። 16ነቲ ወገን ምብራቕ በታ መኣመቲት ሻብምቆ ኣመቶ፡ በዛ መኣመቲት ሻምብቆ ኸኣ ብዙርያኡ ሓሙሽተ ሚእቲ ሻምብቆ ዀነ። 17ነቲ ወገን ሰሜን ከኣ ኣመቶ፡ በታ መኣመቲት ሻምብቆ ድማ ብዙርያኡ ሓሙሽተ ሚእቲ ሻምብቆ ዀነ። 18ነቲ ወገን ደቡብ ከኣ ኣመቶ፡በታ መኣመቲት ሻምብቆ ሓሙሽተ ሚእቲ ሻምብቆ ዀነ። 19ናብቲ ወገን ምብራቕ ዞረ፡ በታ መኣመቲት ሻምብቆ ድማ ሓሙሽተ ሚእቲ ሻምብቆ ኣመቶ። 20ነቲ ኣብ ዙርያኡ ዘሎ መንደቕ በርባዕቲኡ ወገን ኣመቶ፡ ምንዋሑ ሓሙሽተ ሚእቲ ፡ ወርዱ ኸኣ ሓሙሽተ ሚእቲ ዀነ። እዚ ነቲ ቅዱስ ካብቲ ዘይቅዱስ ዝፈሊ እዩ።

       ትን. ህዝቅኤል  ምዕራፍ 43            

   1ድሕርዚ ናብቲ ደገ፡ ናብቲ ንምብራቕ እትርኢ ደገ ኣውጽኣኒ። 2እንሆ ኸኣ፡ ክብሪ ኣምላኽ እስራኤል ካብ ምብራቕ ኣቢሉ መጸ። ድምጺ ድማ ከም ህማም ብርቱዕ ማያት ነበረ። ምድሪውን ብኽብሩ በርሄት። 3እቲ ኣነ ዝርአኽዎ ራእይ ድማ ከምቲ ነታ ኸተማ ኸጥፍእ ምስ መጻእኩ ዝርአክዎ ራእይ እዩ። እዚ ራእያት እዚ ኸኣ ከምቲ ኣብ ርባ ኬባር ዝርአኽዎ ራእይ እዩ። ኣነውን ብገጸይ ፍግም ኢለ ወደቕኩ። 4ክብሪ እግዚኣብሄር ድማ በታ ናብ ምብራቕ እተርኢ ደገ ናብታ ቤት ኣተወ። 5መንፈስ ሓፍ ኣበለኒ፡ ናብታ ውሽጣዊት ኣጸድ ከኣ ኣእተወኒ፡ እንሆውን፡ ክብሪ እግዚኣብሄር ነታ ቤት መልኣ። 6ኣነ ኸኣ ካብታ ቤት ሓደ ኽዛረበኒ ኸሎ ሰማዕኩ፡ ኣብ ጥቓይ ድማ ሰብኣይ ደው ኢሉ ነበረ።
7በለኒውን፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ እታ ኣብ ማእከል ደቂ እስራኤል ንሓዋሩ ዝነብረላ ቦታ ዝፋነይን እግረይ ዝረግጻ ቦታን እዚኣ እያ።ቤት እስራኤል፡ ንሳቶምን ነገስታቶምን ነቲ ቅዱስ ስመይ ብምንዝርናኦምን ብሬሳ ነገስታቶምን ኣብቲ በረኽቲ ቦታኦም ድሕርዚ ኣይከርስክዎን እዮም። 8መንደቕ ጥራይ ኣብ መንጎይን መንጎኦምን ክሳዕ ዝኸውን፡ መድረኾም ኣብ ጥቓ መድረኸይ፡ ልዳቶም ኣብ ጥቓ ልዳተይ ገበሩ። በዚ ዝገበርዎ ጽያፍ ነቲ ቅዱስ ስመይ ኣርከስዎ፡ ስለዚ ድማ ብቝጥዓይ ኣጥፋእክዎም። 9ሕጂ ንምንዝርናኦምን ንሬሳ ነገስታትምን ካባይ ከርሕቑ እዮም፡ ኣነውን ንሓዋሩ ኣብ ማእከሎም ክነብር እየ።
10ኣታ ወዲ ሰብ፡ ብኣበሳኦም ክሓፍሩስ ንቤት እስራኤል እዛ ቤት እዚኣ ኣርእዮም፡ ኣተሃናንጻኣ ኸኣ ኣለክዓዮም። 11በቲ ዝገበርዎ ዅሉ እንተ ሓፈሩስ፡ ምስላን ስርዓታን ዘበለ ዅሉ ምእንቲ ኽሕልውዎን ክገብርዎን፡ ምስሊ እታ ቤትን ኣሰራርዕኣን ነቲ መውጺኢኣን መእተዊኣን ኵሉ ምስላን ኵሉ ስርዓታን፡ ኵሉ ምስላን ኵሉ ሕጋጋታን ኣፍልጦም፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ከኣ ጽሓፎ። 12ሕጊ እታ ቤት ድማ እዚ እዩ፡ እቲ ኣብ ዝባን እቲ ኸረን ኣብ ኵሉ ዙርያኡ ዘሎ ቦታ ኣዝዩ ቅዱስ እዩ፡ እንሆ፡ ሕጊ እታ ቤት እዚ እዩ።
13ልክዕ እታ መሰውኢ ድማ ብእመትሲ እዚ እዩ፦ እታ እመት ከኣ እመትን ስድርን እያ፦ እግሩ ሓደ እመት ወርዱ ኸኣ ሓደ እመት እዩ። ብዘሎ ዙርያ ኸንፈራውን ገንዙ ሓደ ስድሪ እዩ። እዚ መሰረት እቲ መሰውኢ እዩ። 14ካብ ምድሪ ጀሚሩ ኽሳዕ እቲ ታሕታይ ሕዳግ ክልተ እመት፡ ወርዱ ኸኣ ሓደ እመት እዩ። ካብቲ ታሕታይ ሕዳግ ጀሚሩ ኽሳዕ እቲ መወዳእታ ሕዳግ ድማ ኣርባዕተ እመት፡ ወርዱን ሓደ እመት እዩ። 15እቲ ዝባን መሰውኢ ኣርባዕተ እመት እዩ፡ ካብቲ መእጐድ ሓዊ መሰውኢ ንላዕሊ ኣቢሉ ኸኣ ኣርባዕተ ቐርኒ ኣሎ። 16እቲ ናይ መሰውኢ መእጐድ ሓዊ ምንዋሑ ዓሰርተው ክልተ እመት፡ ወርዱ ኸኣ ዓሰርተው ክልተ እመት እዩ። ኣርባዕቲኡ መኣዝኑውን ማዕረ ማዕረ እዩ። 17እቲ ሕዳግ ከኣ በርባዕተ ወገኑ ምንዋሑ ዓሰርተው ኣርባዕተ እመት፡ ወርዱውን ዓሰርተው ኣርባዕተ እመት ማዕረ ማዕረ እዩ። እቲ ኣብ ዙርያኡ ዘሎ ኸንፈር ድማ ፈረቓ እመት፡ እግሩ ኸኣ ብኽቡ ሓደ እመት እዩ። ደረጃታቱውን ናብ ምብራቕ ገጹ እዩ።
18በለኒ ድማ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ መስዋእቲ ምሕራር ኣብኡ ምእንቲ ከቕርቡ፡ ደም ከኣ ኣብኡ ኽነጽጉስ፡ በቲ ዝስርሓሉ መዓልቲ፡ ስርዓት እቲ መሰውኢ እዚ እዩ፡ 19እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ነቶም ከገልግሉኒ ኢሎም ዝቐርቡኒ፡ ካብ ዘርኢ ጻዶቅ ዝዀኑ ሌዋውያን ካህናት ንመስዋእቲ ሓጢኣት ዝኸውን ዝራብዕ ክትህቦም ኢኻ። 20ንስኻ ድማ ካብቲ ደሙ ኽትወስድ፡ ኣብቲ ኣርባዕተ ቐርኑን ኣብቲ ኣርባዕተ መዛን ሕዳጋትን ኣብቲ ኸንፈሩን ኣብ ዙርያኡ ኽትገብሮ ኢኻ፡ በዚ ኸምዚ ኸተጽርዮን ከተትዓርቖን ኢኻ። 21ነቲ ዝራብዕ መስዋእቲ ሓጢኣት ክትወስዶ ኢኻ፡ ኣብ ወጻኢ መቕደስ፡ ኣብቲ እተወሰነሉ ቦታ እታ ቤት ድማ ክነድድ እዩ። 22ብኻልኣይ መዓልቲ ኸኣ ጕድለት ዘይብሉ ድቤላ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ከተቕርብ ኢኻ። ከምቲ ብዝራብዕ ገይሮም ዘጽረይዎ፡ ነቲ መሰውኢ ኸጽርይዎ እዮም። 23ምጽራዩ ምስ ፈጸምካ፡ጕድለት ዘይብሉ ዝራብዕ፡ ካብ ኣባጊዕውን ጕድለት ዘይብሉ ድዑል ከተቕብር ኢኻ። 24ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከተቕርቦ ኢኻ፡ እቶም ካህናት ድማ ጨው ክንስንሱሎም፡ መስዋእቲ ምሕራር ከኣ ንእግዚኣብሄር ከቕርቡሉ እዮም። 25ሾብዓተ መዓልቲ ዕለት ዕለት መስዋእቲ ሓጢኣት ዝኸውን ድቤላ ኸተቕርብ ኢኻ። ጕድለት ዘይብሎም ዝራብዕን ካብ ኣባጊዕ ድማ ድዑልን ክስውኡ እዮም። 26ሾብዓተ መዓልቲ ነቲ መሰውኢ ኸተዓርቕዎን ከንጽህዎን ክጽምብልዎን እዮም። 27እዘን መዓልትታት እዝኤን ምስ ተፈጸማ፡ በታ ሳምነይቲ መዓልቲ ብድሕሪኣን እቶም ካህናት ኣብቲ መሰውኢ ንመስዋእቲ ምሕራርኩምን ንመስዋእቲ ምስጋናኹምን ከቕርቡ እዮም። ኣነውን ባህ ኢሉኒ ክቕበለኩም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።

       ትን. ህዝቅኤል  ምዕራፍ 44            

   1ድሕርዚ ናብ መገዲ እታ ናብ ምብራቕ እትርኢ መጻኢት ደገ መቕደስ መለሰኒ፡ ዕጽውቲ ኸኣ እያ። 2እግዚኣብሄር ድማ በለኒ፡ እዛ ደገ እዚኣ ዕጽውቲ ትኹን፡ ኣይትከፈት፡ ሰብውን ኣይእተዋ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ኣትዩላ እዩ እሞ፡ ስለዚ ብዕጽውታ ትንበር። 3እቲ መስፍንሲ፡ መስፍን ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እንጌራ ክበልዕ፡ ኣብኡ ክቕመጥ እዩ። ንሱ ብመገዲ ገበላ እታ ደገ ኽኣቱ፡ ብእእ ኣቢሉውን ክወጽእ እዩ።
4ድሕርዚ ድማ ብመገዲ እታ ደገ ሰሜን ኣቢሉ፡ ናብ ቅድሚ እታ ቤት ኣምጽኣኒ። ጠመትኩ፡ እንሆ ኸኣ፡ ክብሪ እግዚኣብሄር ነታ ቤት እግዚኣብሄር መሊእዋ ነበረ። ኣነውን ብገጸይ ፍግም ኢለ ወደቕኩ። 5እግዚኣብሄር ድማ በለኒ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ ነዚ ኣነ ብዛዕባ ኵሉ ስርዓት ቤት እግዚኣብሄር ኵሉ ሕጋጋታን ዝነግረካ ዘሎኹ፡ ልብኻ ኣውደቐሉ፡ በዒንትኻ ተመልከቶ፡ በእዛንካ ስምዓዮ። ንመእተዊ እታ ቤትን ንዅሉ መውጽኢ እታ ቤት መቕደስን ኣጸቢቕካ ኣስተብህለሉ። 6ነዞም ዓለውቲ ቤት እስራኤል፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ በሎም፡ ኣቱም ቤት እስራኤል፡ ርኽሰትኩም ዘበለ ዅሉ ይእከልኩም። 7እንጌራይን ስብሕን ደምን ከተቕርቡ ኸሎኽኹ፡ ንቤተይ ከርክስዋስ ነቶም ልቦም ዘይተገዝረ፡ ስጋኦምውን ዘየተግዝረ ጓኖት ናብ መቕደሰይ ኣእቲኹምዋም ኢኹም እሞ፡ ንሳቶም ኣብ ልዕሊ ዅሉ ጽያፍኩም ክዳነይ ኣፍረሱ። 8ኣብታ መቕደሰይ ንእኦም ኣብ ክንዳኹም ንኣገልግሎተይ መዘዝኩምዎም እምበር፡ ነቲ ቅዱስ ነገረይ ባዕልኻትኩም ኣየገልገልኩምዎን። 9እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ካብቶም ኣብ ማእከል ደቂ እስራኤል ዘለዉ ጓኖት፡ ልቡ ዘይተገዝረ፡ ስጋኡውን ዘይተገዝረ ሓደ ወዲ ጓና እኳ ናብ መቕደሰይ ኣይእቶ። 10እቶም ብስሕተት እስራኤል ካባይ ዝረሓቑ፡ ንጣኦታቶም ክስዕቡስ ካባይ ዝረሓቑ ሌዋውያን፡ ግና ኣበሳኦም ክጾሩ እዮም። 11ኣብ ደጌታት እታ ቤት ከኣ ሓለውቲ ክዀኑ፡ ኣብታ ቤት ከገልግሉስ፡ ኣብ መቕደሰይ ኣገልገልቲ ክዀኑ እዮም። ንሳቶም ንመስዋእቲ ምሕራርን ንመስዋእቲ እቲ ህዝብን ክሓርዱ፡ ምእንቲ ኸገልግልዎም ከኣ ኣብ ቅድሚኦም ክቘሙ እዮም። 12ኣብ ቅድሚ ጣኦታቶም ኣገልጊሎምዎም፡ ንቤት እስራኤል ከኣ ናብ ኣበሳ ኣዓንቂፎምዎም እዮም እሞ፡ ስለዚ ንሳቶም ኣበሳኦም ክጾሩ እዮም ኢለ ኢደይ ኣልዓልኩሎም፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። 13ንሳቶም ድማ ነውሮምን ነቲ ዝገበርዎ ጽያፎምን ድኣ ኽጾሩ እዮም እምበር፡ ብመዓርግ ክህነት ከገልግሉኒ፡ ኣብቲ እተቐደሰ ነገረይ ኣብቲ ኣዝዩ ቅዱስ ነገር ክቐርቡስ ናባይ ኣይክቐርቡን እዮም። 14ንዅሉ ዕዮኣን ነቲ ኣብኣ ዝግበር ዘበለ ኵሉን ሓለውቲ እታ ቤት ክዀኑ ኽምዝዞም እየ።
15እቶም፡ ደቂ እስራኤል ካባይ ክርሕቁ ኸለዉ፡ ንምሕላው መቕደሰይ እተጸምዱ ኻብ ወገን ሌዋውያን ዝዀኑ ኻህናት ደቂ ጻዶቅ፡ከገልግሉኒ ኢሎም ክቐርቡኒ፡ ስብሕን ደምን ክስውኡለይ ኣብ ቅድመይ ዝቘሙ እዚኣቶም እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። 16ንሳቶም ናብ መቕደሰይ ክኣትዉ፡ከገልግሉንስ ናብ መኣደይ ክቐርቡ፡ ንኣገልግሎተይውን ክምዘዙ እዮም። 17ብደጌታት እታ ውሽጣዊት ኣጸድ ክኣትዉ ኸለዉ፡ ካብ ልሕጺ እንጣጢዕ እተገብረ ኣልባሳት ክለብሱ እዮም። ኣብ ደጌታት እታ ውሽጣዊት ኣጸድን ኣብ ውሽጥን ከገልግሉ ኸለዉ ገለ ናይ ጸጕሪ ኣይክኽደኑን እዮም። 18ኣብ ኣራእሶም ናይ ልህጺ እንጣጢዕ ሻሽ ክጥምጥሙ፡ ኣብ ሕቝኦምውን ናይ ልሕጺ እንጣጢዕ ስረ ኽዕጠቑ፡ዘርህጽ ነገር ኣይክዕጠቑን እዮም። 19ናብ ወጻኢ ኣጸድ፡ ናብቲ ኣብ ወጻኢ ኣጸድ ዘሎ ህዝቢ ኽወጹ ኸለዉ፡ ብኣልባሳቶም ነቲ ህዝቢ ከይቅድስዎስ፡ እቲ ዘገልገሉሉ ኣልባሳት ከውጽእዎ፡ ኣብ ቅዱስ ክፍልታት ቤት ከኣ ከንብርዎ፡ ካልእ ክዳውንቲውን ክኽደኑ እዮም። 20ነቲ ጸጕሪ ርእሶምሲ በብሓጺሩ ደኣ ክቘርጽዎ እዮም እምበር፡ ርእሶም ኣይክላጽዩን፡ ጸጕሮም ድማ ኣይከንውሑን እዮም። 21ካህን ዘበለ ዅሉ ናብቲ ውሽጢ ኣጸድ ክኣቱ ከሎ፡ ወይኒ ኣይክሰትን እዩ። 22ካብ ዘርኢ ቤት እስራኤል ዝዀነት ድንግል ወይስ ሰበይቲ ኻህን ዝነበረት መበለት ደኣ ኸእትዉ እዮም እምበር፡ መበለት ወይስ ፍትሕቲ ኣይከእትዉን እዮም። 23ንሳቶም ንህዝበይ ነቲ ኣብ መንጎ ቅዱሳን ዘይቅዱስን ዘሎ ምፍላይ ክምህርዎ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ርኹስን ንጹህን ዘሎ ምልላይ ከኣ ከፍልጥዎ እዮም። 24ኣብ ምጕት ፈራዶ ዀይኖም ክቘሙ፡ ከምቲ ፍርደይ ገይሮም ከኣ ክፈርዱ እዮም። ብዅሉ በዓላት ዓመተይ ንሕጋጋተይን ንስርዓተይን ክሕልዉ፡ ሰናብተይ ክቕድሱ እዮም። 25ከይረኽሱስ፡ ናብ ምዉት ሰብ ኣይቕረቡ። በቦን ኣደን፡ ብወድን ጓልን፡ ብሓውን ብዘይተኣትወት ሓብትን ጥራይ ይርከሱ። 26ድሕሪ ምንጻሁ ድማ ሾብዓተ መዓልቲ ይቝጸሩሉ። 27በታ ኣብታ ውሽጣዊት ኣጸድ ኣብ መቕደስ ከግልግል፡ ኣብ መቕደስ ዝኣትወላ መዓልቲ ኸኣ፡ መስዋእቲ ሓጢኣቱ የቕርብ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። 28ርስቲ ይኹኖም፡ ኣነ እየ ርስቶም። ኣብ እስራኤል ግደ ኣይትሃብዎም፡ ግዲኦምሲ ኣነ እየ። 29ንሳቶም ነቲ መስዋእቲ ብልዕን ነቲ መስዋእቲ ሓጢኣትን መስዋእቲ ዕዳን ይብልዕዎ። እስራኤል ዝሓረምዎ ዘበለውን ንኣታቶም ይኹን። 30በዅሪ ዅሉ ፍርያትኩምን፡ ኵሉ መባእኩም፡ ዝዀነ ይኹን መባእ ንኻህናት ይኹን። ንቤትኩም በረኸት ምእንቲ ኽሓድራስ፡ በዅሪ ሓሪጭኩም ንኻህን ሃቡ። 31እቶም ካህናት ካብ ኣዕዋፍ ወይስ ካብ ከብቲ ዝሓለቐን እተሰብረን ኣይብልዑ።

       ትን. ህዝቅኤል  ምዕራፍ 45            

   1እምብኣርሲ ነታ ሃገር ርስቲ ኽትኰነኩም ብዕጻ ኽትማቐልዋ ኸሎኹም፡ ካብታ ሃገርስ እተቐደሰት ክፍሊ ንእግዚኣብሄር መባእ ከተቕርቡ ኢኹም። ምንዋሓ ዕስራን ሓሙሽተን ሽሕ እመት፡ ወርዳ ኸኣ ዓሰርተ ሽሕ እመት ክኸውን፡ ኣብ ዙርያኣ ብዅሉ ወሰናውን ቅድስቲ ኽትከውን እያ። 2ካብዚ ድማ ኣርባዕቲኡ መኣዝና ማዕረ ማዕረ ዝዀነ ሓሙሽተ ሚእቲ ዝምንዋሓ፡ ሓሙሽተ ሚእቲ ዝወርዳ፡ ንመቕደስ ክኸውን እዩ። ሓምሳ እመትውን ኣብ ዙርያእ ንኣምፉ ዝነብር ቦታ ኽውሰኻ እዩ። 3ካብዚ ልኩዕሲ ዕስራን ሓሙሽተን ሽሕ ዝምንዋሓ፡ ዓሰርተ ሽሕ እመት ዝወርዳ ኣምት። ኣብኣ እታ መቕደስ፡ ቅድስተ ቅዱሳን፡ ትኹን። 4እዛ ቅድስቲ ግደ እታ ሃገር ነቶም ኣገልገልቲ መቕደስ ኰይኖም፡ ንእግዚኣብሄር ከገልግሉ ዝቀርቡ ኻህናት ክትከውን እያ። ነባይቶም ስፍራ፡ ንመቕደስውን ቅዱስ ቦታ ኽትከውን እያ። 5ዕስራን ሓመሽተን ሽሕ ዝምንዋሓ፡ ዓሰርተ ሽሕ ዝወርዳ ነቶም ኣብታ ቤት ዘገልግሉ ሌዋውያን ዕስራ ኽፍሊ ቤት ንርስቶም ክትከውን እያ።
6ንርስቲ እታ ኸተማ ከኣ ኣብ ኣንጻር እታ ዝወፌኹምዋ መባእ እታ ቅድስቲ ኽፍሊ ሓሙሽተ ሽሕ ዝወርዳ፡ ዕስራን ሓሙሽተን ሽሕ ዝምንዋሓ መደቡ። እዚኣ ንብዘሎ ቤት እስራኤል ትኹን። 7ነቲ መስፍን ድማ በዝን በትን እታ ቅዱስ መባእ ኰይና እተወፈየት ምድርን ርስቲ እታ ኸተማን ኣብ መንጽር እታ እተቐደሰት መባእን ኣብ መንጽር ርስቲ እታ ኸተማን፡ ምዕራባ ናብ ወገን ምዕራብ፡ ምብራቕ ድማ ናብ ወገን ምብራቕ ክኸውን እዩ። ምንዋሓ ኸኣ ካብ ወሰን ምዕራብ ሒዙስ ክሳዕ ወሰን ምብራቕ ክንዲ ሓደ ኽፍሊ ክኸውን እዩ። 8መሳፍንተይ ከኣ እታ ምድሪ ንቤት እስራኤል ከከም ነገዶም ክህብዎም እዮም እምበር፡ ድሕርዚ ንህዝበይ ኣይክገፍዕዎምን፡ እዚኣስ ምድሩ፡ ኣብ እስራኤል ርስቱ ኽትከውን እያ።
9እግዚኣብሄር ኣምላክ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኣቱም መሳፍንቲ እስራኤል፡ ደጊም ይእከልኩም፡ ዓመጻን በዝባዝን ሕደጉ፡ ቅንዕናን ጽድቅን ግበሩ፡ ግፍዕኹም ካብ ህዝበይ ኣርሕቑ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። 10ሓቀኛ ሚዛን፡ ሓቀኛ ኤፋ፡ ሓቀኛ ባት ይሃሉኹም። 11ኤፋን ባትን ልክዑ ሓድ ይኹን፡ እቲ ባት ዓስራይ ኣፍ ሆመር፡ እቲ መስፈሪኦም ብሆመር እተለኽዐ ይኹን። 12ሓደ ሲቃል ዕስራ ጌራ ዝሕዝ ይኹን። እቲ ምና ኸኣ ዕስራ ሲቃል፡ ዕስራን ሓሙሽተን ሲቃል፡ ዓሰርተው ሓሙሽተ ሲቃል ይኹነልኩም። 13እቲ ንስኻትኩም እተቕርብዎ መባእ እዚ እዩ፡ ካብ ሆመር ስርናይ ሳድሳይ ኣፍ ኤፋ፡ ካብ ሆመር ስገም ድማ ሳድሳይ ኣፍ ኤፋ ወፍዩ። 14ናይ ዘይቲ ሕጊ፡ ናይቲ ባት ዘይቲ ኸኣ እዚ እዩ፡ ዓሰርተ ባት ሓደ ሆመር እዩ እሞ፡ ካብ ሓደ ኮር ዓስራይ ኣፍ ባት ይወፈ፡ እቲ ኮር ድማ ዓሰርተ ባት ዝሕዝ ሆመር እዩ። 15ንኣታቶም ዝኸውን መበጀዊ ንምግባር፡ ንመስዋእቲ ብልዕን ንመስዋእቲ ምሕራርን ንመስዋእቲ ምስጋናን ካብቲ ማይ ዘለዎ መዋፍር እስራኤል ካብ መጓሰ ኽልተ ሚእትስ ሓንቲ ብጊዕ ክትውፈ እያ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። 16ብዘለዉ ህዝቢ እታ ሃገር ነዚ መባእ እዚ ነቲ መስፍን እስራኤል ክህብዎ ይግብኦም እዩ። 17መዚ እቲ መስፍንሲ ብበዓላትን ብሰርቂ ወርሕን ብሰናብትን ብዅሉ በዓልት ዓመት ቤት እስራኤልን መስዋእቲ ምሕራርን መስዋእቲ ብልዕን መስዋእቲ መስተን ክውፊ እዩ። ንሱ ንቤት እስራኤል መበጀዊ ምእንቲ ኽገብረሎም መስዋእቲ ሓጢኣትን መስዋእቲ ብልዕን መስዋእቲ ምሕራርን መስዋእቲ ምስጋናን ከቕርብ እዩ።
18እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ በታ ቐዳመይቲ ወርሒ፡ ካብታ ወርሒውን በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ንስኻ ጕድለት ዘይብሉ ዝራብዕ ክትወስድ ኢኻ እሞ፡ ነታ መቕደስ ከተንጽሃ ኢኻ። 19እቲ ኻህን ድማ ካብ ደም እቲ መስዋእቲ ሓጢኣት ክወስድ፡ ኣብ ልዳት እታ ቤትን ኣብ ኣርባዕቲኡ መኣዝን ሕዳጋይ መሰውእን ኣብ ልዳት ደገ እታ ውሽጣዊት ኣጸድን ክገብሮ እዩ። 20ብሳብዐይቲ መዓልቲ እታ ወርሒ ድማ ስለ እቲ ብጌጋ ዝኣበሰን ስለ እቲ ግሩህን ከምኡ ኽትገብር ኢኻ። ነታ ቤትውን ከምኡ ኸተበጅውዋ ኢኹም።
21በታ መጀመርያ ወርሒ፡ ካብታ ወርሒ ኸኣ ኣብ መበል ዓሰርተው ኣርባዕተ መዓልትስ፡ ፋስጋ፡ ሾብዓተ መዓልቲ በዓል ይኹነልኩም፡ ቅጫውን ክብላዕ እዩ። 22በታ መዓልቲ እቲኣ እቲ መስፍን ብናይ ርእሱን ብናይ ብዘሎ ህዝቢ እታ ሃገርን ሓደ ዝራብዕ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ከቕርብ እዩ። 23በዘን ሾብዓተ መዓልቲ በዓል ድማ ጕድለት ዘይብሎም ሾብዓተ ዝራብዓትን ሾብዓተ ድዑላትን ኣብ ጸጽባሕ እዘን ሾብዓተ መዓልቲ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ምሕራር፡ ኣብ ጸጽባሕ ከኣ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ሓደ ድቤላ ከቕርብ እዩ። 24ንሱ ድማ መስዋእቲ ብልዒ፡ ንነፍሲ ወከፍ ዝራብዕ ሓደ ኤፋ፡ ንነፍሲ ወከፍ ድዑል ከኣ ሓደ ኤፋ፡ ንነፍሲ ወከፍ ኤፋውን ሓደ ሂን ዘይቲ ከቕርብ እዩ። 25ኣብታ ሳብዐይቲ ወርሒ፡ ካብታ ወርሒውን ኣብ መበል ዓሰርተው ሓሙሽተ መዓልቲ በዚ በዓል እዚ ንሾብዐተ መዓልቲ ኸምቲ መስዋእቲ ሓጢኣት፡ ከምቲ መስዋእቲ ምሕራር፡ ከምቲ መስዋእቲ ብልዒ፡ ከምቲ ዘይቲ ከቕርብ እዩ።

       ትን. ህዝቅኤል  ምዕራፍ 46            

   1እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እታ ንምብራቕ እትርኢ ደገ እታ ውሽጣዊት ኣጸድ በተን ሹድሽተ መዓልቲ ዕዮ ኽትዕጾ ብመዓልቲ ሰንበት ግና ክትክፈት፡ ብመዓልቲ ስርቂ ወርሒውን ክትክፈት እያ። 2እቲ መስፍን ከኣ በቲ ገበላ እታ ደገ ኣቢሉ ኻብ ወጻኢ ኽኣቱ፡ ኣብ ልዳት እታ ደገውን ክቐውም እዩ። ካህናት ከኣ መስዋእቲ ምሕራሩን መስዋእቲ ምስጋናኡን ከቕርቡ እዮም፡ ንሱ ድማ ኣብ መድረኽ እታ ደገ ኽሰግድ፡ ድሕርዚውን ክወጽእ እዩ። እታ ደገ ግና ክሳዕ ምሸት ኣይክትዕጾን እያ። 3ህዝቢ እታ ሃገር ከኣ ብሰናብትን ብሰርቂ ኣዋርሕን፡ ኣብ መእተዊ እዛ ደገ እዚኣ ዀይኖም፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክሰግዱ እዮም። 4እቲ መስፍን ብመዓልቲ ሰንበት ንእግዚኣብሄር ዘቕርበሉ መስዋእቲ ምሕራርሲ ጕድለት ዘይብሎም ሹድሽተ ገንሸል፡ ጕድለት ዘይብሉ ሓደ ድዑልን እዩ። 5መስዋእቲ ብልዒ ኸኣ ነቲ ድዑል ሓንቲ ኤፋ፡ መስዋእቲ ብልዒ ነቶም ገንሸላት ድማ ከም ርካቡ ክኸውን፡ ንነፍሲ ወከፍ ኤፋውን ሓደ ሂን ዘይቲ ኽህልዎ እዩ። 6ንመዓልቲ ሰርቂ ወርሒ ኸኣ ጕድለት ዘይብሉ ዝራብዕን ጕድለት ዘይብሎም ሹድሽተ ገንሸልን ሓደ ድዑልን ከቕርብ እዩ። 7ንሱ ኸኣ መስዋእቲ ብልዒ ነቲ ዝራብዕ ሓደ ኤፋ፡ ነቲ ድዑል ድማ ሓደ ኤፋ፡ ነቶም ገንናሽልውን ከም ርካቡ፡ ንነፍሲ ወከፍ ኤፋ ኸኣ ሓደ ሂን ዘይቲ ከቕርብ እዩ። 8እቲ መስፍን ክኣቱ ኸሎ፡ ብገበላ እታ ደገ ኽኣቱ፡ ብእኣ ኣቢሉውን ክወጽእ እዩ። 9ህዝቢ እታ ሃገር በቲ ዓበይቲ በዓላት ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ምስ መጹ፡ እቲ ኽሰግድ ኢሉ ብደገ ሰሜን ዝኣተወ ብደገ ደቡብ ሰሜን ክወጽእ እዩ። በታ ኣንጻራ ደኣ ኽወጽእ እምበር፡ ሓደ እኳ በታ ዝኣተወላ ደገ ኣይክምለስን እዩ። 10እቲ መስፍን ከኣ፡ እቶም ህዝቢ ኽኣትዉ ኸለዉ ኣብ ማእከሎም ኰይኑ ኽኣቱ፡ ንሳቶም ክወጹ ኸለዉ ድማ፡ ምስኦም ክወጽእ እዩ። 11ብበዓላትን ብበዓላት ዓመትን እቲ መስዋእቲ ብልዒ ነቲ ዝራብዕ ሓደ ኤፋ፡ ነቲ ድዑል ድማ ሓደ ኤፋ፡ ነቶም ገናሽልውን ከም ርካቡ፡ ነንሓደ ኤፋ ኸኣ ሓደ ሂን ዘይቲ ከቕርብ እዩ። 12እቲ መስፍን ከኣ ናይ ፍቓዱ መስዋእቲ፡ መስዋእቲ ምሕራር ወይስ መስዋእቲ ምስጋና ኸም ፍቓዱ ንእግዚኣብሄር ከቕርብ ከሎ፡ እታ ንምብራቕ እትርኢ ደገ ይኽፈተሉ እሞ፡ ነቲ መስዋእቲ ምሕራሩን መስዋእቲ ምስጋናኡን ከምቲ ናይ ሰንበት ገይሩ ከቕርብ እዩ። ድሕርዚ ኽወጽእ፡ ምስ ወጸ ድማ፡ እታ ደገ ትተዓጾ። 13ጕድለት ዘይብሉ ናይ ዓመት ገንሸል ከም መስዋእቲ ምሕራር ኣብ ጸጽባሕ ንእግዚኣብሄር ከተቕርበሉ ኢኻ። ንግሆ ንግሆ ኽትስውኦ ኢኻ። 14ምስናይዚ መስዋእቲ ብልዒ ሳድሳይ ኣፍ ኤፋ፡ መለስለሲ እቲ ሓርጭ ከኣ ሳልሳይ ኣፍ ሂን ዘይቲ ንግሆ ንግሆ ኸትቕርብ ኢኻ። እዚ ንእግዚኣብሄር ዝቕረብ መስዋእቲ ብልዒ እዚ ናይ ሓዋሩ ስርዓት ንዅሉ ግዜክኸውን እዩ። 15ገንሸል መስዋእቲ ብልዕን ዘይትን ንግሆ ንግሆ ኸም ናይ ኵሉ ግዜ ምስዋእቲ ምሕራር ክትስውኡ ኢኹም።
16እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እቲ መስፍን ንሓደ ካብቶም ደቁ ውህበት እንተ ሃቦ፡ ርስቱ እዩ፡ እዚ ንደቂ ይኹን፡ ደቁ ዝወረስዎ ርስቶም እዩ። 17ንሓደ ካብ ገላዉኡ ካብቲ ርስቱ መቒሉስ ውህበት እንተ ሃቦ ግና፡ እዚኣ ኽሳዕ ዓመት ሓራ ናቱ ትኹን። ድሕርዚ ኸኣ ናብቲ መስፍን ትመለስ። ርስትነቱ ድማ ንደቁ ክኸውን እዩ። 18እቲ መስፍን ከኣ ነቶም ህዝቢ ካብ ርስቶም ነቒሉ ርስቲ ኣይውሰደሎም። ካብቶም ህዝበይ ሓደ እኳ ካብ ርስቱ ኸይንቀልስ፡ ነቶም ደቁ ካብ ርስቱ ኸረስትዮም እዩ።
19ድሕርዚ ንሱ ናብተን ናይ ሰሜን ዝርእያ ናይ ካህናት ቅዱሳት ክፍሊ ኣባይቲ በታ ኣብ ጥቓ እታ ደገ ዘላ መእተዊት ኣቢሉ ኣእተወኒ። እንሆ ድማ፡ ኣብቲ ወሰኑ ንምዕራብ ኣቢሉ ዝርኢ ቦታ ኣሎ። 20ንሱ ኸኣ፡ ናብ ወጻኢ ኣጸድ ከየውጽእዎ እሞ እቲ ህዝቢ ኸይቅደስሲ፡ እቲ እቶም ካህናት ነቲ መስዋእቲ ዕዳን ነቲ መስዋእቲ ሓጢኣትን ዝቕቅልሉ፡ ነቲ መስዋእቲ ብልዒውን ዝስንክትሉ ቦታ እዚ እዩ፡ በለኒ። 21ናብ ወጻኢ ኣጸድ ድማ ኣውጽኣኒ፡ ኣብ ኣርባዕቲኤን መኣዝን እታ ኣጸድ ከኣ ኣሕለፈኒ፡ እንሆውን፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መኣዝን እታ ኣጸድሲ ኣጸድ ኣሎ። 22ኣብተን ኣርባዕተ መኣዝን እታ ኣጸድ ድማ እተቐጽራ ኣጸዳት ኣለዋ፡ ምንዋሐን ኣርብዓ እመት፡ ወርደን ከኣ ሰላሳ እዩ። እዘን ኣርባዕተ ብመኣዝንሲ ልክዐን ሓደ እዩ። 23ኣብ ዙርያኤን ኣብ ዙርያ ኣርባዕቲኤን ከኣ መንደቕ ኣሎ። ኣብ እግሪ እቲ መንደቕ ብዙርያ ድማ መሰኻተቲ ተሰሪሕዎ ኣሎ። 24ንሱ ኸኣ፡ እዚኣ እታ ዘብስሉላ ቤት እያ፡ እዚኣተን ከኣ እቶም ኣገልግልቲ እዛ ቤት ናይ ህዝቢ መስዋእቲ ዘብስሉለን እየን፡ በለኒ።

       ትን. ህዝቅኤል  ምዕራፍ 47            

   1ንሱ ድማ ናብ ደገ እታ ቤት መለሰኒ። ገጽ እታ ቤት ናብ ምብራቕ ኣቢሉ እዩ ዝርኢ እሞ፡ እንሆ፡ ማያት ካብ ትሕቲ መድረኽ እታ ቤት ናብ ምብራቕ ኣቢሉ ወጸ። እቲ ማያት ከኣ ካብ ትሕቲ፡ ካብ የማናይ ወገን እታ ቤት፡ ነታ መሰውእስ ብደቡባ ይወርድ ነበረ። 2ድሕርዚ ብመገዲ እታ ሰሜናዊት ደገ ኣውጽኣኒ፡ ብመገዲ እታ ናብ ምብራቕ እትርኢ ደገ፡ ናብታ ኣብ ወጻኢ ዘላ ደገ ብወጻኢ ኣዞረኒ። እንሆ ኸኣ፡ ማያት ካብቲ የማናይ ወገን ይፍልፍል ነበረ። 3እቲ ሰብኣይ ናብ ምብራቕ ኣቢሉ ኽወጽእ ከሎ፡ዝእምተሉ ገመድ ኣብ ኢዱ ነበሮ፡ ብእኡ ኸኣ ሽሕ እመት ኣመተ። በቲ ማያት ኣሳገረኒ፡ ክሳዕ እግረይ በጽሐ። 4ከም ብሓድሽ ሽሕ እመት ኣመተ፡ በቲ ማያት ከኣ ኣሳገረኒ፡ እቲ ማያት ድማ ክሳዕ ኣብራኸይ በጽሐ። ከም ብሓድሽ ሽሕ እመት ኣመተ፡ በቲ ማያት ከኣ ኣሳገረኒ፡ እቲ ማያትውን ክሳዕ ሕቘይ በጽሐ። 5ድሕርዚ ሽሕ እመት ኣመተ፡ እቲ ማያት ብዘይ ሓመሳ ዘይስገር ዓሚቝ ውሒዝ ኰይኑ እዩ እሞ፡ ኣነ ኽሳገሮ ዘይክኣለኒ ውሒዝ ኰነ። 6ንሱ ኸኣ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ ትርኢዶ ኣሎኻ፡በለኒ።ሽዑ ወሰድኒ፡ ናብ ወሰን እቲ ውሒዝ ድማ መለሰኒ። 7ምስ ተመለስኩ፡ እንሆ፡ ወሰን ወሰን እቲ ውሒዝ በዝን በትን ብዙሕ ኣእዋም ኣሎ። 8በለኒ ድማ፡ እዚ ማያት እዚ ናብ ምብራቕ ኣቢሉ ይውሕዝ ኣሎ፡ናብ ጐልጐል ክወርድ ናብ ባሕሪ ኸኣ ክበጽሕ እዩ። ናብ ባሕሪ ምስ ኣተወ ድማ፡ እቲ ማያት ክጥዒ እዩ። 9ክኸውን ድማ እዩ፡ ኣብቲ እዚ ውሒዝ እዚ ዝበጽሖ ዘበለስ ኵሉ ዝዋሳወስ ህያው ነፍሲ ብህይወት ክነብር እዩ፡ ዓሳ ኸኣ ኣዝዮም ክበዝሑ እዮም። እዚ ማያት እዚ ኽኣትዎ እዩ እሞ፡ እቲ ማያት ባሕሪ ኽጥዒ እዩ። እቲ ውሒዝ ኣብ ዝኣተዎ ዘበለ ድማ ኵሉ ብህይወት ክነብር እዩ። 10ክኸውን ከኣ እዩ፡ ገፈፍቲ ዓሳ ኣብኡ ክቘሙ፡ ካብ ዔን-ገዲ ኽሳዕ ዔን-ኤግላይም መዘርግሒ መርበብ ክኸውን እዩ። ዓሳታት፡ ከምቲ ዓሳ ናይ ዓብዪ ባሕሪ፡ በብዓይነቶም ኣዝዮም ብዙሓት ኣብኡ ኽህልዉ እዮም። 11ዓዘቕቱን ዕቋሩን ግና ጨው ኰይኑ ኽነብር እዩ እምበር፡ ኣይክጥዕን እዩ። 12ወሰነ ወሰን እዚ ርባ በዝን በትን ኵሉ ዓይነት ፈራዪ ኣእዋም ክበቍል እዩ። ኣቍጽልቱ ኣይክጽምሉን፡ ፍሬኡውን ኣይክውዳእን እዩ። ማያቱ ካብቲ መቕደስ እዩ ዝፍልፍል እሞ፡ ኣብ ወወርሒ ሓድሽ ፍረ ኽፈሪ፡ ፍሬታቱ ንምግቢ፡ ኣቍጽልቱ ድማ ንመድሓኒት ክኸውን እዩ።
13እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እታ ንዓሰርተው ክልተ ነገድ እስራኤል ርስቲ ጌርኩም እትመቕልዎም ምድሪ፡ ወሰናታ እዚ እዩ፡ ዮሴፍ ክልተ ዕጫ ኽረክብ እዩ። 14እዛ ነቦታትኩም ክህባ እየ ኢለ ኢደይ ዘልዓልኩላ ምድሪ እቲ ሓደ ኸምቲ ሓደ ኽትወርስዋ ኢኹም። እዛ ሃገር እዚኣ ርስትኹም ክትከውን እያ። 15ወሰናት እታ ምድሪ ኸኣ እዚ እዩ፡ ብወገን ሰሜን ካብቲ ዓብዪ ባሕሪ ሒዙ በታ መገዲ ሃትሎን ኣቢሉ፡ ክሳዕ ጸዳድ፡ 16ኣብ መንጎ ወሰን ደማስቆን ወሰን ሃማትን ዘሎ ሃማት፡ ቤሮታ፡ ሲብራይም፡ እቲ ኣብ ወሰን ሃውራን ዘሎ ሓጻር-ሓቲኮን ድማ። 17እቲ ወሰን ካብ ባሕሪ ኽሳዕ ሓጻር-ዔናን ወሰን ደማስቆ ክኸውን እዩ። ጻፎን ድማ ኣብ ሰሜን ወሰን ሃማት እዩ። እዚ እቲ ወገን ሰሜን እዩ። 18ብወገን ምብራቕ ድማ ኣብ ማእከል ሃውራንን ደማስቆን ጊልዓድን ምድሪ እስራኤልን ዮርዳኖስን እዩ። ካብ ወሰን ሰሜን ናብቲ ኣብ ምብራቕ ዘሎ ባሕሪ ኽትእምቱ ኢኹም። እዚ እቲ ወገን ምብራቕ እዩ። 19እቲ ወገን ደቡብ ናብ ደቡብ ኣቢሉ ኸኣ ካብ ታማር ሒዙ ኽሳዕ ማይ መሪባ ናይ ቃዴስ፡ በቲ ርባ ኽሳዕ እቲ ዓብዪ ባሕሪ እዩ። እዚ እቲ ናብ ደቡብ ዘብል ወገን ደቡብ እዩ። 20እቲ ወገን ምዕራብ ድማ እቲ ዓብዪ ባሕሪ ኻብ ወሰን ደቡብ ክሳዕ መንጽር ሃማት እዩ። እዚ እቲ ወገን ምዕራብ እዩ። 21ነዛ ሃገር እዚኣ ኸከም ነገድ እስራኤል ንኣኻትኩም ተማቐልዋ። 22ክኸውን ድማ እዩ፡ ንስኻትኩምን ነቶም ኣብ ማእከልኩም ዝነብሩ፡ ኣብ ማእከልኩምውን ውሉድ ዝወልዱ ጓኖት ርስቲ ጌርኩም ብዕጭ ምቐልዋ። ንሳቶም ኣብ ማእከል ደቂ እስራኤል ከም ደቂ ዓድኹም ክዀኑልኩም እዮም። ኣብ ማእከል ነገድ እስራኤል ከኣ ምሳኻትኩም ንርስቲ ኽርስተዩ እዮም። 23ክኸውን ድማ እዩ፡ ነቲ ጓና ኣብታ ዝነብረላ ነገድ፡ ኣብኣ ርስቱ ኽትህብዎ ኢኹም፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።

       ትን. ህዝቅኤል  ምዕራፍ 48            

   1ስማት እቶም ነገድ እዚ እዩ፡ ካብ ወገን ሰሜን ሒዙ፡ ብጥቓ መገዲ ሃይሎን፡ ክሳኦ ሃማትን ክሳዕ ሓጻር-ዔናንን፡ ወሰን ደማስቆ፡ ናብ ሰሜን ኣብ ጥቓ ሃማት ኣቢሉ፡ ካብ ምብራቕ ክሳዕ ምዕራብ ንዳን ሓደ ኽፍሊ ይኹን። 2ኣብ ወሰን ዳን ድማ ካብ ወገን ምብራቕ ክሳዕ ወገን ኣሴር ሓደ ኽፍሊ ይኹን። 3ኣብ ወሰን ኣሴር ከኣ ካብ ወገን ምብራቕ ክሳዕ ወገን ምዕራብ ንንፍታሌም ሓደ ኽፍሊ ይኹን። 4ኣብ ወሰን ንፍታሌም ድማ ካብ ወገን ምብራቕ ናብ ወገን ምዕራብ ንምናሴ ሓደ ኽፍሊ ይኹን። 5ኣብ ወሰን ምናሴ ኸኣ ካብ ወገን ምብራቕ ናብ ውወገን ምዕራብ ንኤፍሬም ሓደ ኽፍሊ ይኹን። 6ኣብ ወሰን ኤፍሬም ድማ ካብ ወገን ምብራቕ ናብ ወገን ምዕራብ ንሮቤል ሓደ ኽፍሊ ይኹን። 7ኣብ ወሰን ሮቤል ከኣ ካብ ወገን ምብራቕ ናብ ወገን ምዕራብ ንይሁዳ ሓደ ኽፍሊ ይኹን።
8ኣብ ወሰን ይሁዳ ድማ ካብ ወገን ምብራቕ ናብ ወገን ምዕራብ እቲ እተቕርብዎ መባእ ይኹን። ወርዱ ዕስራን ሓመሽተን እመት፡ ምንዋሑ ኸኣ ካብ ወገን ምብራቕ ናብ ወገን ምዕራብ ክንዲ ሓደ ኽፍሊ ይኹን። እታ መቕደስ ድማ ኣብ ማእከሉ ትኹን። 9እዛ ንእግዚኣብሄር እተቕርቡሉ መባእ ምንዋሓ ዕስራን ሓሙሽተን ሽሕ፡ ወርዳን ዓሰርተ ሽሕ ትኹን። 10እዛ ቅድስቲ መባእ እዚኣ ንኻህናት ትኹን። ንሰሜን ምንዋሓ ዕስራን ሓሙሽተን ሽሕ፡ ንምዕራብ ከኣ ወርዳ ዓሰርተ ሽሕ፡ ንደቡብ ከኣ ምንዋሓ ዕስራን ሓሙሽተን ሽሕ እዩ። እታ መቕደስ እግዚኣብሄርውን ኣብ ማእከላ ትኹን። 11እዚኣ ነቶም፡ እቶም ደቂ እስራኤል ክስሓቱ ኸለዉ ኸምቶም ዝስሕቱ ሌዋውያን ዘይሰሕቱ፡ እተቐደሱ ንኣገልግሎተይውን እተመዘዙ ኻህናት፡ ደቂ ጻዶቅ፡ ትኹን። 12እዚኣ ኻብታ ኣብ ወሰን ሌዋውያን ዘላ፡ ኣዝያ ቅድስቲ ዝዀነት መባእ ምድሪ ንኣታቶም መባእ ትዀነሎም። 13ኣብ ወሰን እታ ናይ ካህናት ከኣ ምንዋሓ ዕስራን ሓሙሽተን ሽሕ፡ ወርዳውን ዓሰርተ ሽሕ ንሌዋውያን ትኹን። ምንዋሓ ዅላዅላ ዕስራን ሓሙሽተን ሽሕ፡ ወርዳውን ዓሰርተ ሽሕ እያ። 14እዚኣ ንእግዚኣብሄር እተቐደሰት እያ እሞ፡ ካብኣ ኣይሽጡ፡ ኣይለውጡ፡ እዛ በዅራት ምድሪ እዚኣ ኣብ ካልእ ኣይትሕለፍ።
15እታ ኣብ ኣንጻር እቲ ዕስራን ሓሙሽተን ሽሕ ዘላ ኻብቲ ወርዲ ዝተረፈ ሓሙሽተ ሽሕ ግና ዘይተቐደሰ ቦታን ሰብ ዝነብረላን ኸተማን ንኸባቢኣን ትኹን። 16ልክዓ ኸኣ ብወገን ሰሜን ኣርባዕተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን፡ ብወገን ደቡብ ኣርባዕተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን፡ ብወገን ምብራቕ ኣርባዕተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን፡ ብወገን ምዕራብውን ኣርባዕተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን እዩ። 17እቲ ኣብ ከባቢ እታ ኸተማ ዘሎ ቦታ ድማ ብሰሜን ክልተ ሚእትን ሓምሳን፡ ብደቡብ ክልተ ሚእትን ሓምሳን፡ ብምብራቕ ክልተ ሚእትን ሓምሳን፡ ብምዕራብውን ክልተ ሚእትን ሓምሳን ይኹን። 18እታ ትራፍ ናይቲ ምንዋሕሲ ብኣንጻር እታ ቅድስቲ መባእ ኣብ ምብራቕ ኣቢላ ዓሰርተ ሽሕ፡ ኣብ ምዕራብ ኣቢሉ ኸኣ ዓሰርተ ሽሕ ትኹን፡ እዚኣ ኣንጻር እታ ቅድስቲ መባእ እያ። እቶታውን ምግቢ እቶም ዓየይቲ እታ ኸተማ ይኹን። 19እቶም ካብ ኵሎም ነገድ እስራኤል ዝዀኑ ኣብታ ኸተማ ዝዓዩ ኸኣ ነታ ምድሪ ይሕረስዋ። 20እታ መባእ ኵላኵላ ምንዋሓ ዕስራን ሓሙሽተን ሽሕ፡ ወርዳ ዕስራን ሓሙሽተን ሽሕ ትኹን። ንርስቲ እታ ኸተማ ዝኸውን ራብዓይ ክፍሊ እታ ቅድስቲ መባእ ኣልዕሉ።
21እቲ ዝተረፈ ንመስፍን ይኹን፡ በዝን በትን እታ ቅድስቲ መባእ ርስቲ እታ ኸተማ፡ ኣብ ኣንጻር እቲ ዕስራን ሓሙሽተን ሽሕ እመት እታ መባእ ክሳዕ ወሰን ምብራቕ፡ ኣብ ምዕራብ ከኣ ኣብ ኣንጻር እቲ ዕስራን ሓሙሽተን ሽሕ ናብ ወሰን ምዕራብ ዘብል፡ ማዕረ ማዕረ እቲ ኽፍልታት ዘሎ፡ ነቲ መስፍን ይኹን። እታ ቅድስቲ መባእን መቕደስ እታ ቤትን ከኣ ኣብ ማእከል ይኹና። 22ካብቲ ኣብ ማእከል ናይ መስፍን ዘሎ ርስቲ ሌዋውያንን ርስቲ እታ ኸተማን፡ ኣብ መንጎ ወሰን ይሁዳን ወሰን ብንያምን ዘሎ ነቲ መስፍን ይኹን።
23ነቶም ዝተረፉ ነገድ ድማ እዚ እዩ፡ ካብ ወገን ምብራቕ ናብ ወገን ምዕራብ ሓደ ኽፍሊ ንብንያም ይኹን። 24ኣብ ወሰን ብንያም ድማ ካብ ወገን ምብራቕ ናይ ወገን ምዕራብ ሓደ ኽፍሊ ንስምኦን ይኹን። 25ኣብ ወሰን ስምኦን ከኣ ካብ ወገን ምብራቕ ናይ ወገን ምዕራብ ውገን ኽፍሊ ንይሳኮር ይኹን። 26ኣብ ወስን ይሳኮር ድማ ካብ ወገን ምብራቕ ናይ ወገን ምዕራብ ሓደ ኽፍሊ ንዛብሎን ይኽይን። 27ኣብ ወስን ዛብሎን ከኣ ካብ ወገን ምብራቕ ናብ ወገን ምዕራብ ሓደ ኽፍሊ ንጋድ ይኹን። 28ኣብ ወሰን ጋድ ድማ ካብ ወገን ደቡብ ናብ ደቡብ ኣቢሉ ወሰኑ ኻብ ታማር ሒዙ ኽሳዕ ማይ መሪባ ናይ ቃዴስ ክሳዕ እቲ ርባ ኽሳዕ እቲ ዓብዪ ባሕሪ ይኹን። 29እታ ንነገዳት እስራኤል ዕጭ ኣውዲቕኩም ርስቲ እተማቕልዎም ምድሪ እዚኣ እያ። እተን ግዴታት ከኣ እዚኤን እየን፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
30መውጽኢታት እታ ኸተማ ድማ እዚ እዩ፡ ብወገን ሰሜን ኣርባዕተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን እመት እዩ ልክዑ። 31ደጌታት እታ ኸተማ ኸኣ ብስም ነገዳት እስራኤል ይሰመያ። ናብ ሰሜን ኣቢሉ ሰለስተ ደገ፡ ደገ ሮቤል ሓንቲ፡ ደገ ይሁዳ ሓንቲ፡ ደገ ሌዊ ሓንቲ። 32ብወገን ምብራቕ ድማ ኣርባዕተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን እመት፡ ደጌታትውን ሰለስተ፡ ደገ ዮሴፍ ሓንቲ፡ ደገ ብንያም ሓንቲ፡ ደገ ዳን ሓንቲ። 33ብወገን ደቡብ ከኣ ኣርባዕተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን እመት እዩ ልክዑ፡ደጌታትውን ሰለሰተ፡ ደገ ስምኦን ሓንቲ፡ ደገ ይሳኮር ሓንቲ፡ ደገ ዛብሎን ሓንቲ። 34ብወገን ምዕራብ ድማ ኣርባዕተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን እመት፡ ደጌታትውን ሰለስተ፡ ደገ ጋድ ሓንቲ፡ ደገ ኣሴር ሓንቲ፡ ደገ ንፍታሌም ሓንቲ። 35ዙርያኣ ዓሰርተ ሾሞንተ ሽሕ እመት እዩ። ድሕሪ እዛ መዓልቲ እዚኣ ኸኣ ስም እታ ኸተማ፡ እግዚኣብሄር ኣብኣ እዩ፡ ክትስመ እያ።

Leave a Reply

መጽሓፍ ቅዱስ ትግርኛ
ብሉይን ሓድሽን ኪዳን
ብሉይ ኪዳን
ሓድሽ ኪዳን
መጽሓፍ ቅዱስ ትግርኛ
ብሉይን ሓድሽን ኪዳን

ብሉይ ኪዳን

ሓድሽ ኪዳን