ትንቢት ሃጌ

   ትን.ሃጌ ምዕራፍ 1
   1ብኻልኣይቲ ዓመት ንጉስ ዳርዮስ፡ ብሳድሰይቲ ወርሒ፡ ካብታ ወርሒ ኸኣ ብቐዳመይቲ መዓልቲ፡ ብኢድ ነብዪ ሃጌ ኸምዚ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ዘሩባቤል ወዲ ሰኣልቲኤል፡ ምስለኔ ይሁዳን ናብ እያሱ ወዲ ይሆጻዳቅ ሊቀ ኻህናትን መጸ።
   2እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እዚ ህዝቢ እዚ፡ እቲ ግዜ፡ ቤት እግዚኣብሄር እትስርሓሉ ግዜ፡ ኣይበጽሐን፡ ይብል ኣሎ። 3-4ግናኸ እዛ ቤት እዚኣ ዖንያ ኸላስ፡ ንስኻትኩም ኣብ ስሉም ኣባይትኹም ክትነብሩዶ ግዜኹም እዩ፧ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ብኢድ ነብዪ ሃጌ መጸ። 5እምብኣርሲ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እስከ ብልብኹም መገድኹም ሕሰቡ። 6ንስኻትኩም ብዙሕ ዘራእኩም፡ ሒደት ኣእቶኹም። በላዕኩም ኣይጸገብኩምን፡ ሰቴኹም ኣይረዌኹምን፡ ተኸደንኩም ኣይሞቝኩምን፡ እቲ ውዕለቱ ዘእቱ ነቲ ዝወዓሎ ኣብ ነዃል ማሕፉዳ የንብሮ ኣሎ።
   7እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ ብልብኹም መገድኩም ሕሰቡ፡ ይብል ኣሎ። 8ናብ ኣኽራን ደይቡ፡ ዕጨይቲ ኣምጽኡ፡ ነታ ቤት ከኣ ስርሕዋ። ኣነ ድማ ብእእ ክሕጐስን ክኸብርን እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር። 9ንስኻትኩም ብዙሕ ተጸቤኹም፡ እንሆ ኸኣ፡ ሒደት እዩ፡ ናብ ቤት ምስ ኣእቶኹምዎ ኸኣ፡ ኣነ ኡፍ በልኩሉ። ስለምንታይ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ ነፍሲ ወከፍኩም ናብ በቤትኩም እናጐየኹምሲ፡ ቤተይ ስለ ዝዓነወት እዩ። 10ስለዚ ሰማያት ብሰርኹም ኣውሊ ኸልከለ፡ ምድሪ ኸኣ ፍሬኣ ኸልኤት። 11ኣነውን ኣብ ልዕሊ ምድርን ኣብ ልዕሊ ኣኽራንን ኣብ ልዕሊ እኽልን ኣብ ልዕሊ ወይንን ኣብ ልዕሊ ዘይትን ኣብ ልዕሊ እቲ ምድሪ እተብቍሎን ኣብ ልዕሊ ሰብን ኣብ ልዕሊ እንስሳን ኣብ ልዕሊ ዅሉ ዕዮ ኣእዳውን ደርቂ ጸዋዕኩ።
   12ሽዑ ዘሩባቤል ወዲ ሰኣልቲኤልን እያሱ ወዲ ይሆጻዳቅ፡ ሊቀ ኻህናትን እቶም ካብቲ ህዝቢ ዝተረፉ ዅላቶምን ንደሃይ እግዚኣብሄር ኣምላኾምን ንቓል ነብዪ ሃጌን፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኾም ዝለኣኾ፡ ሰምዕዎ። እቶም ህዝቢ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ፈርሁ። 13ሃጌ ልኡኽ እግዚኣብሄር በታ መልእኽቲ እግዚኣብሄር ንህዝቢ፡ ኣነ ምሳኻትኩም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ኢሉ ተዛረቦም።
   14-15እግዚኣብሄር ከኣ ንመንፈስ ዘሩባቤል ወዲ ሰኣልቲኤል፡ ምስለኔ ይሁዳን ንመንፈስ እያሱ ወዲ ይሆጻዳቅ፡ ሊቀ ካህናት ንመንፈስ ኵሎም እቶም ዝተረፉ ህዝብን ኣንቅሖ። ንሳቶም ከኣ በታ ኻልኣይቲ ዓመት ንጉስ ዳርዮስ፡ ብሳድሰይቲ ወርሒ፡ ካብታ ወርሒ ድማ ብመበል ዕስራን ኣርባዕተን መዓልቲ መጹ፡ ኣብታ ቤት እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ኣምላኾም ከኣ ይሰርሑ ነበሩ።

   ትን.ሃጌ  ምዕራፍ 2
   1ብሳብዐይቲ ወርሒ፡ ካብታ ወርሒ ኸኣ ብመበል ዕስራን ሓደን መዓልቲ፡ ከምዚ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ብኢድ ነብዪ ሃጌ መጸ፡ 2እምብኣርስኸ ንዘሩባቤል ወዲ ሰኣልቲኤል፡ ምስለኔ ይሁዳን ንእያሱ ወዲ ይሆጻዳቅ፡ ሊቀ ኻህናትን ነቶም ዝተረፉ ህዝብን ከምዚ ኢልካ ንገሮም፡ 3ነዛ ቤት እዚኣ በቲ ቐዳማይ ክብረያ ዝረኣያ ኻባኻትኩም መን እዩ፧ ሕጂኸ ኸመይ ኰይና ትርእይዋ ኣሎኹም፧ ኣብ ኣዓንትኹምሲ ኸም ዘየላዶ ኣይኰነትን፧ 4ሕጂ ኸኣ፡ ዎ ዘሩባቤል፡ ጽናዕ፡ ይብል እግዚኣብሄር። ንስኻ እያሱ ወዲ ይሆጻዳቅ፡ ሊቀ ኻህናት፡ ድማ ጽናዕ፡ ኵልኹም ህዝቢ እታ ሃገርውን ጽንዑ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ኣነ ምሳኻትኩም እየ እሞ፡ ዕየዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት። 5ከምቲ ኻብ ግብጺ ኽትወጹ ከሎኹም ምሳኻትኩም ዝኣቶኽዎ ቓል ኪዳነይ፡ መንፈሰይ ኣብ ማእከልኩም ይነብር ኣሎ፡ ኣይትፍርሁ።
   6እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ኸምዚ ይብል ኣሎ፡ ገና ሓደ ግዜ፡ ብሓጺር ግዜ ክኸውን እዩ፡ ኣነ ንሰማይን ምድርን ባሕርን ንቑጽን ከነቓንቕ እየ። 7ንዅላቶም ኣህዛብ ከነቓንቖም እየ፡ ኣነውን ነዛ ቤት እዚኣ ብኽብሪ ኽመልኣ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት። 8ብሩር ናተይ እዩ፡ ወርቂ ኸኣ ናተይ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት። 9ካብቲ ቐዳማይሲ እቲ ዳሕራይ ክብሪ እዛ ቤት እዚኣ ክበልጽ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ ኣብዛ ቦታ እዚኣ ሰላም ክህብ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።
   10ብኻልኣይቲ ዓመት ዳርዮስ፡ ብመበል ዕስራን ኣርባዕተን መዓልቲ ናይታ ታስዐይቲ ወርሒ ብኢድ ነብዪ ሃጌ ከምዚ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር መጸ፡ 11-12እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ብዛዕባ ሕጊ ነቶም ካህናት፡ ሓደ ኣብ ዘፈር ክዳኑ እተቐደሰ ስጋ እንተ ቘጸረ፡ በዛ ዘፈሩ ኸኣ እንጌራ ወይ ጸብሒ ወይ ወይኒ ወይ ዘይቲ ወይስ ዝዀነ ይኹን ምግቢ እንተ ተንከየስ፡ እዚኤንዶ ይቕደሳ እየን፧ ኢልካ ሕተቶም። እቶም ካህናት ድማ፡ ኣይፋለንን፡ ኢሎም መለስሉ። 13ሽዑ ሃጌ፡ ብሬሳ ዝረኸሰ ሰብ ካብዚኣተን ገለ እንተ ተንከየስ ትረክስዶ እያ፧ በሎም። እቶም ካህናት ከኣ፡ እወ፡ ትረክስ እያ፡ ኢሎም መለስሉ። 14ሃጌ ኸኣ ከምዚ ኢሉ መለሰ፡ እዚ ዓሌት እዚ ኸምኡ እዩ፡ ኣብ ቅድመይ እዚ ህዝቢ እዚ ኸምኡ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ኵሉ ዕዮ ኣእዳዎም ከምኡ እዩ፡ እቲ ኣብኡ ዘቕርቡለይ ድማ ርኹስ እዩ። 15ሕጂ ኸኣ ኣብ መቕደስ እግዚኣብሄር እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ ኸይተነብረ ዀታ ካብዛ መዓልቲ እዚኣ ኽሳዕ ቀደም ዝዀነ ሕሰቡ። 16ብዅሉ እቲ ዘመን እቲ ናብ ዕስራ መስፈር ዘለዎ ምህርቲ እንተ መጸ፡ ዓሰርተ ጥራይ ኰነ። ሓምሳ መፈስር ክቐድሕ፡ ናብ መጽመቝ እንተ መጸ፡ ዕስራ ጥራይ ኰነ። 17ንዅሉ ዕዮ ኣእዳውኩም ብሃጕን ብዋግን ብበረድን ወቓዕክዎ፡ ንስኻትኩም ግና ናባይ ኣይተመለስኩምን፡ ይብል እግዚኣብሄር።
   18ሕሰቡ ዀታ፡ ካብ እዛ መዓልቲ እዚኣ ኽሳዕ ቀደም ዝዀነ፡ ካብታ መበል ዕስራን ኣርባዕተን መዓልቲ ናይታ ታስዐይቲ ወርሒ፡ ካብታ መቕደስ እግዚኣብሄር እተሰረትላ መዓልቲ፡ ሕሰቡ። 19እኽልስ ገናዶ ኣብ ቆፎ ኣሎ እዩ፧ ተኽሊ ወይንን ኦም በለስን ሮማንን ኣውልዕን ክሳዕ ሎሚ ኣይፈረየን። ካብዛ መዓልቲ እዚኣ ጀሚረ ኽባርክ እየ።
   20ብመበል ዕስራን ኣርባዕተን መዓልቲ እታ ወርሒ ኸምዚ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ካልኣይ ሳዕ ናብ ሃጌ መጸ፡ 21-22ንዘሩባቤል ምስለኔ ይሁዳ፡ ኣነ ሰማይን ምድርን ከነቓንቕ እየ፡ ዝፋን መንግስታት ክገላብጥ፡ ሓይሊ መንግስትታት ኣህዛብ ከጥፍእ፡ ሰረገላታትን ኣብአን ዝቕመጡን ክገላብጥ እየ፡ ኣፍራስን ዝውጥሕዎምን ከኣ ነፍሲ ወከፎም ብሰይፊ ሓዉ ኽወድቕ እዩ፡ ኢልካ ንገሮ። 23በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ ዎ ዘሩባቤል ወዲ ሰኣልቲኤል፡ ባርያይ፡ ኣነ ኽወስደካ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ኣነ ሓርየካ እየ እሞ፡ ከም ቀለቤት ማሕተም ክገብረካ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።

Leave a Reply

መጽሓፍ ቅዱስ ትግርኛ
ብሉይን ሓድሽን ኪዳን
ብሉይ ኪዳን
ሓድሽ ኪዳን
መጽሓፍ ቅዱስ ትግርኛ
ብሉይን ሓድሽን ኪዳን

ብሉይ ኪዳን

ሓድሽ ኪዳን