ራእይ  ዮሃንስ

1   2  3   4   5   6 7 8  9  
10   11   12   13  14   15
16   17  18   19  20   
21  22

          ራ.ዮሃንስ  ምዕራፍ 1
   1እቲ ቐልጢፉ ኽኸውን ዘለዎ፡ ንባሮቱ ምእንቲ ኸርእዮም ኢሉ፡ ኣምላኽ ዝሃቦ ናይ የሱስ ክርስቶስ ራእይ፡ ብኢድ መልኣኹ ልኢኹውን ንባርያኡ ዮሃንስ ኣርአዮ። 2ንሱ ንቓል ኣምላኽን ንምስክር የሱስ ክርስቶስን፡ ነቲ ዝረኣዮ ዘበለ ዅሉ መስኪሩ ኣሎ። 3እቲ ዘመን ቀረባ እዩ እሞ፡ እቲ ነዚ ቓል ትንቢት እዚ ዘንብብን እቶም ዝሰምዕዎን፡ ነቲ ኣብኡ ተጻሒፉ ዘሎውን ዝሕልውዎን ብጹኣን እዮም።
   4-5ዮሃንስ ነተን ኣብ እስያ ዘለዋ ሾብዓተ ማሕበራት፡ ካብቲ ዘሎን ዝነበረን ዝመጽእን፡ ካብቶም ኣብ ቅድሚ ዝፋኑ ዘለዉ ሾብዓተ መናፍስትን ካብቲ እሙን ምስክርን በዅሪ ምዉታትን ርእሲ ነገስታት ምድሪ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ከኣ ጸጋን ሰላምን ምሳኻትኩም ይኹን። ንእኡ፡ ነቲ ዘፍቅረና ዘሎ፡ ካብ ሓጢኣትናውን ብደሙ ዝሓጸበና፡ 6ንእግዚኣብሄር ኣቦኡ መንግስትን ካህናትን ክንኰኖ ዝገበረና፡ ክብርን ስልጣንን ንዘለኣለመ ኣለም ንእኡ ይኹን። ኣሜን።
   7እንሆ፡ ብደበና ይመጽእ ኣሎ፡ ኵለን ኣዒንትን እቶም ዝወግእዎን ከኣ ክርእይዎ እዮም፡ ብዘለዉ ዓሌታት ምድሪውን ክበኽዩሉ እዮም። እወ፡ ኣሜን።
   8ኣልፋን ኦሜጋን ኣነ እየ፡ ይብል እቲ ዘሎን ዝነበረን ዝመጽእን ኵሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
   9ኣነ ዮሃንስ ሓውኩምን ኣብቲ ኣብ የሱስ ዘሎ ጸበባን መንግስትን ትዕግስትን መማቕልትኹምን፡ ምእንቲ ቓል ኣምላኽን ምእንቲ ምስክር የሱስን ኣብታ ጳጥሞስ እትብሃል ደሴት ነበርኩ። 10-11ብመዓልቲ ጐይታ ብመንፈስ ኰንኩ፡ ብድሕረይ ከኣ፡ ነዚ እትርእዮ ዘሎኻ፡ ኣብ መጽሓፍ ጽሒፍካ፡ ናብተን ኣብ ኤፌሶንን ስሚርናን ጴርጋሞስን ትያቲራን ሳርዴስን ፊላደልፍያን ሎዲቅያን ዘለዋ ሾብዓተ ማሕበራት ስደዶ፡ ዝብል ከም ናይ መለኸት ዝበለ ብርቱዕ ድምጺ ሰማዕኩ። 12ነቲ ዝዛረበኒ ዘሎ ድምጺ ኽርኢ ኸኣ ግልጽ በልኩ። ግልጽ ምስ በልኩውን፡ ሾብዓተ ቐወምቲ ቐንዴል ወርቂ ርኣኹ። 13ኣብ ማእከል እቶም ሾብዓተ ቐወምቲ ቐንዴል ከኣ፡ ክሳዕ እግሩ እተኸድነ ብቕናት ወርቂውን ክሳዕ ኣፍ ልቡ እተዓጥቀ ወዲ ሰብ ዝመስል ርኣኹ። 14ርእሱን ጸጕሩን ጻዕዳ ኸም ጸምሪ ጻዕዳውን ከም ኣስሓይታ እዩ፡ ኣዒንቱውን ከም ሃልሃልታ ሓዊ እየን፡ 15ኣእጋሩ ኣብ ሓጐዶ ኸም ዝረሰነ ዘንጸባርቕ ኣስራዚ ሊባኖስ ይመስላ፡ ድምጹውን ከም ደሃይ ብዙሕ ማያት እዩ። 16ኣብ የማናይ ኢዱ ሾብዓተ ኸዋኽብቲ ኣለውዎ፡ ካብ ኣፉውን ክልተ ዝኣፉ በሊሕ ሰይፊ ይወጽእ፡ ትርኢቱውን ከምታ ብሓይሊ እተብርህ ጸሓይ እዩ።
   17-18ምስ ርኣኽዎ ድማ፡ ከም ምዉት ኰይነ ኣብ ኣእጋሩ ወደቕኩ። ንሱ የማናይ ኢዱ ኣንበረለይ፡ ከምዚ እናበለ፡ ኣነ እቲ ቐዳማይን እቲ ዳሕራይን እቲ ህያውን እየ እሞ፡ ኣይትፍራህ። ሞይተውን ነበርኩ፡ እንሆ ኸኣ፡ ንዘለኣለመ ኣለም ህያው እየ፡ መርሖ ሞትን ሲኦልን ከኣ ኣሎኒ። 19እምብኣርሲ ነቲ ዝርኣኻዮን ነዚ ዘሎን ነቲ ድሕርዚ ዝኸውንን ጽሓፎ። 20ምስጢር እቶም ኣብ የማናይ ኢደይ ዝርኣኻዮም ሾብዓተ ኸዋኽብትን ናይተን ሾብዓተ ቐወምቲ ቐንዴል ወርቅን፡ እቶም ሾብዓተ ኸዋኽብቲ እቲኣቶም መላእኽቲ እተን ሸብዓተ ማሕበራት እዮም፡ እተን ሾብዓተ ቐወምቲ ቐንዴልውን ሾብዓተ ማሕበራት እየን።
           ራ. ዮሃንስ  ምዕራፍ 2
   1ናብ መልኣኽ ማሕበር ኤፌሶን ጽሓፍ፡ እቲ ኣብ የማናይ ኢዱ ሾብዓተ ኸዋኽብቲ ዝሓዘ፡ ኣብ ማእከል እተን ሾብዓተ ቐወምቲ ቐንዴል ወርቂውን ዝመላለስ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ 2ግብርኻን ጻዕርኻን ትዕግስትኻን፡ ነቶም እኩያት ሰባትውን ክትጾሮም ከም ዘይከኣልካን፡ ነቶም ሃዋርያት ኢና ዝብሉ እሞ ዘይኰኑ፡ ተዓዚብካዮምሲ ሓሰውቲ ዀይኖም ከም ዝረኸብካዮምን፡ እፈልጥ ኣሎኹ። 3ትዕግስቲ ኸኣ ኣሎካ፡ ስለ ስመይ ኢልካውን ተጻወርካ፡ ኣይሰልከኻን። 4ግናኸ ነታ ቐዳመይቲ ፍቕርኻ ሓዲግካያ ኢኻ እሞ እዚ ረኺበልካ ኣሎኹ። 5እምብኣርሲ ኻበይ ከም ዝወደቕካ ዘክር እሞ ተነሳሕ፡ ነቲ ቐዳማይ ግብሪውን ግበሮ። እንተ ዘይኰነስ ክመጸካ፡ እንተ ዘይተነሳሕካውን፡ ነቲ ቐዋሚ ቐንዴልካ ኻብቲ ስፍራኡ ኸዝብሎ እየ። 6ግናኸ ነቲ ኣነውን ዝጸልኦ ዘሎኹ ግብሪ ኒቆላውያን ንስኻ ትጸልኦ ኢኻ እሞ እዚ ግዳ ኣሎካ። 7እዝኒ ዘላቶ እቲ መንፈስ ንማሕበራት ዝብለን ዘሎ ይስማዕ። ነቲ ዝስዕር ካብታ ኣብ ገነት ኣምላኽ ዘላ ኦም ህይወት ክበልዕ ክህቦ እየ።
   8ናብ መልኣኽ ማሕበር ስሚርናውን ጽሓፍ፡ እቲ ቐዳማይን ዳሕራይን፡ ሞይቱ ዝነበረን ህያው ዝዀነን ከምዚ ይብል ኣሎ፡ 9ጸበባኻን ድኽነትካን ፡— ግናኸ ሃብታም ኢኻ ፡— ጸርፊ እቶም ኣይሁድ ኢና ዝብሉን ፡— ግናኸ ማሕበር ሰይጣን እዮም እምበር፡ ኣይሁድስ ዘይኰኑ፡— እፈልጥ ኣሎኹ። 10እንሆ፡ ምእንቲ ኽትፍተኑስ፡ ድያብሎስ ንገሌኻትኩም ናብ ቤት ማእሰርቲ ኽድርብዮም እዩ፡ ዓሰርተ መዓልቲውን ጸበባ ኽረኽበኩም እዩ እሞ፡ ነቲ ዝመጸካ መከራ ኣይትፍርሃዮ። ክሳዕ ሞት እሙን ኩን፡ ኣነውን ኣኽሊል ህይወት ክህበካ እየ። 11እዝኒ ዘላቶ እቲ መንፈስ ንማሕበራት ዝብለን ዘሎ ይስማዕ። እቲ ዝስዕር በቲ ኻልኣይ ሞት ኣይኩጕዳእን እዩ።
   12ናብ መልኣኽ ማሕበር ጴርጋሞስውን ጽሓፍ፡ እቲ ኽልተ ዝኣፉ በሊሕ ሰይፉ ዝሓዘ ኸምዚ ይብል ኣሎ፡ 13ኣበይ ከም እትነብር፡ ማለት ኣብቲ ናይ ሰይጣን ዝፋን ዘለዎ ምዃኑ እፈልጥ ኣሎኹ እሞ ንስመይ ኣጽኒዕካ ሒዝካዮ ኣሎኻ፡ ኣብቲ ሰይጣን ዝነብረሉ፡ ንኣንቲጶስ፡ ነቲ እሙን ምስክረይ፡ ኣብ ማእከልኩም ብዝቐተልዎ መዓልትታት እኳ ንእምነተይ ኣይከሓድካያን። 14ነቲ ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል መንሳተቲ ንምግባር፡ ንጣኦታት እተሓርደ ኽበልዑን ክምንዝሩን ንባላቅ ዝመሃሮ ምህሮ በላዓም ዝሓዙ ስለ ዘለውኻ ግና፡ ቅሩብ ነገር ረኺበልካ ኣሎኹ። 15ከምኡውን በዛ መገዲ እዚኣስ ንምህሮ ኒቆላውያን ዝሓዝዎ ኣለዉኻ። 16ስለዚ ተነሳሕ፡ እንተ ዘይኰነስ ቀልጢፈ ኽመጽእ፡ ብሰይፊ ኣፈይውን ክዋግኦም እየ። 17እዝኒ ዘላቶ እቲ መንፈስ ንማሕበራት ዝብለን ዘሎ ይስማዕ። ነቲ ዝስዕር ካብቲ ስዉር ማና ኽህቦ እየ፡ ጻዕዳ እምኒ ድማ፡ ብዘይ እቲ እተቐበላስ ሓደ እኳ ዘይፈልጦ ኣብታ እምኒ እቲኣ እተጻሕፈ ሓድሽ ስም ክህቦ እየ።
   18ናብ መልኣኽ ማሕበር ትያቲራውን ጽሓፍ፡ እቲ ኸም ሃልሃልታ ሓዊ ዝዀና ኣዒንቲ ዘለዋኦ፡ ኣእጋሩውን ዘንጸባርቕ ኣስራዚ ሊባኖስ ዝመስል ወዲ ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ 19ግብርኻን ፍቕርኻን እምነትካን ኣገልግሎትካን ትዕግስትኻን፡ እቲ ግብርኻውን ካብ ቀዳማዩስ ዳሕራዩ ኸም ዝበዝሕ፡ እፈልጥ ኣሎኹ። 20ግናኸ ነታ፡ ነብዪት እየ፡ እናበለትሲ ነቶም ኣገልገልተይ ክምንዝሩን ንጣኦታት እተሰውአ ኽበልዑን እትምህሮምን እተስሕቶምን ዘላ ኢዛቤል፡ ነታ ሰበይቲ እቲኣ ስቕ ኢልካ ምርኣይካ ረኺበልካ ኣሎኹ። 21ምእንቲ ኽትንሳሕ ኢለ፡ ግዜ ሂበያስ፡ ንሳ ግና ካብቲ ምንዝርናኣ ኽትንሳሕ ኣይደለየትን። 22እንሆ፡ ኣነ ኣብ ዓራት ሕማም ከውድቓ እየ፡ ነቶም ምስኣ ዝዝምዉ ኸኣ፡ ካብቲ ግብራ እንተ ዘይተነስሑስ፡ ናብ ብርቱዕ ጸበባ ኸእትዎም እየ። 23ንደቃውን ብሞት ክቐትሎም እየ፡ ኣነ ልብን ኰላሊትን ዝምርምር ምዃነይ ከኣ ብዘለዋ ማሕበራት ክፈልጣ እየን። ንነፍሲ ወከፍኩምውን ከከም ግብርኹም ክህበኩም እየ። 24ኣብ ትያትራ ንዘሎኹም ኵላትኩም ካልኦት ግና፡ ነቲ መዓሙቝ ሰይጣን፡— ከመዮ ንሳቶም ዝብልዎ፡— ዘይፈለጥኩምዎ፡ እዚ ምህሮ እዚ ንዘይብልኩም፡ ንኣኻትኩምሲ፡ ካልእ ጾር ኣየጹረኩምን እየ፡ እብለኩም ኣሎኹ። 25ክሳዕ ዝመጽእ ግዳ ነቲ ዘሎኩም ኣጽኒዕኩም ሓዝዎ። 26-27ነቲ ዝስዕርን ክሳዕ መወዳእታውን ግብረይ ዝሕሉንሲ፡ ከምቲ ኣነ ኻብ ኣቦይ እተቐበልክዎ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣህዛብ ከሰልጥኖ እየ። ከምቲ ኣቕሓ መሬት ዝሰባበር ገይሩ፡ ንሱ ብበትሪ ሓጺን ክጓስዮም እዩ። 28ኰዀብ ጽባሕውን ክህቦ እየ። 29እዝኒ ዘላቶ እቲ መንፈስ ንማሕበራት ዝብለን ዘሎ ይስማዕ።
           ራ. ዮሃንስ  ምዕራፍ 3
   1ናብ መልኣኽ ማሕበር ሳርዴስውን ጽሓፍ፡ እቲ፡ ሾብዓተ መናፍስቲ ኣምላኽን ሾብዓተ ከዋኽብትን ዘለውዎ፡ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኣነ ንግብርኻ እፈልጦ ኣሎኹ፡ ህያው ተባሂልካ ትስመ ኣሎኻ፡ ግናኸ ምዉት ኢኻ። 2ንግብርኻ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽይ ምሉእ ኰይኑ ኣይረኸብክዎን እሞ፡ ንቑሕ ኩን፡ ነቶም ክሞቱ ኢሎም ዘለዉ ኻልኦትውን ኣበርትዓዮም። 3ደጊም ከመይ ጌርካ ኸም እተቐበልካን ከም ዝሰማዕካን ዘክር፡ ሓልዎ ተነሳሕውን። እንተ ዘይነቓሕካ ግና፡ ከም ሰራቒ ኽመጸካ እየ፡ በየነይቲ ሰዓት ከም ዝመጸካውን ኣይክትፈልጥን ኢኻ። 4ኣብ ሳርዴስ ግና ክዳውንቶም ዘይጸየቑ ሒደት ስማት ኣለዉኻ፡ ንሳቶም ብቑዓት እዮም እሞ፡ ጻዕዳ ኽዳውንቲ ተኸዲኖም ምሳይ ክመላለሱ እዮም። 5እቲ ዝስዕር ከምኡ ጻዕዳ ኽዳውንቲ ክኽደን እዩ፡ ኣነውን ንስሙ ኻብ መጽሓፍ ህይወት ኣይክፍሕቆን እየ፡ ኣብ ቅድሚ ኣቦይን ኣብ ቅድሚ መላእኽቱን ድማ ንስሙ ኽእመኖ እየ። 6እዝኒ ዘላቶ እቲ መንፈስ ንማሕበራት ዝብለን ዘሎ ይስማዕ።
   7ናብ መልኣኽ ማሕበር ፊላደልፍያውን ጽሓፍ፡ እቲ ቅዱስ፡ ሓቀኛ፡ መርሖ ዳዊት ዘለዎ፡ ንሱ ምስ ከፈተ፡ ሓደ እኳ ዘይዓጹ፡ ንሱ ምስ ዓጸወ ኸኣ፡ ሓደ እኳ ዘይከፍት፡ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ 8ንግብርኻ እፈልጦ ኣሎኹ። ዓቕምኻ ሒደት እዩ፡ ንቓለይ ሓሊኻዮ ንስመይውን ኣይከሓድካዮን እሞ፡ እንሆ፡ ሓደ እኳ ኽዓጽዎ ዘይኽእል ክፉት ደገ ሂበካ ኣሎኹ። 9እንሆ፡ ካብቶም፡ ኣይሁድ ኢና፡ ዝብሉ ማሕበር ሰይጣን፡ ግናኸ ይሕስዉ ኣለዉ እምበር፡ ኣይሁድሲ ዘይኰኑ፡ እህበካ ኣሎኹ። እንሆ፡ ንሳቶም ከም ዝመጹን፡ ኣብ ቅድሚ እግርኻ ኸም ዝሰግዱን ኣነ ኸም ዘፍቀርኩኻውን ከም ዝፈልጡን፡ ክገብሮም እየ። 10ንቓል ትዕግስተይ ስለ ዝሓሎኻዮ፡ ኣነ ድማ ካብታ ነቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ኽትፍትኖም ናብ ኵላ ዓለም እትመጽእ ሰዓት ፈተና ኽሕልወካ እየ። 11ቀልጢፈ እመጽእ ኣሎኹ። ሓደ እኳ ኣኽሊልካ ኸይዝርፈካስ፡ ነቲ ዘሎካ ኣጽኒዕካ ሓዞ። 12ነቲ ዝስዕር ኣብታ መቕደስ ኣምላኸይ ዓንዲ ኽገብሮ እየ፡ ካብኣ ከቶ ኣይክወጽእን እዩ። ስም ኣምላኸይን ስም እታ ኸተማ ኣምላኸይን፡ ናይታ ኻብ ኣምላኸይ ካብ ሰማይ እትወርድ ሓዳስ የሩሳሌም፡ ነቲ ሓድሽ ስመይን ክጽሕፈሉ እየ። 13እዝኒ ዘላቶ እቲ መንፈስ ንማሕበራት ዝብለን ዘሎ ይስማዕ።
   14ናብ መልኣኽ ማሕበር ሎዲቅያውን ጽሓፍ፡ እቲ ኣሜን፡ እሙን ሓቀኛ ምስክር፡ መጀመርታ ፍጥረት ኣምላኽ፡ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ 15ዝሑል ወይስ ምዉቕ ዘይምዃንካ፡ ግብርኻ እፈልጥ ኣሎኹ። ብኻ ዝሑል ወይስ ምዉቕ ምዀንካ። 16ከምዚ ልብጥ ዝበለ ብምዃንካ ኣይምዉቕ ኣይዝሑል ኢኻ እሞ፡ ካብ ኣፈይ ጡፍ ክብለካ እየ። 17ሃብታምን ፈሳስን እየ፡ ሓንቲ ዝደልያ ነገር እኳ የብለይን ብምባልካ፡ ሕሱርን ዘደንግጽን ነዳይን ዕዉርን ዕሩቕን ምዃንካ ኣይትፈልጥን ኢኻ ዘሎኻ። 18ምእንቲ ኽትህብትም ብሓዊ ዝጸረየ ወርቂ ካባይ ክትዕድግ፡ ሕፍረት ዕርቃንካ ምእንቲ ኸይቅላዕን ክትክደንን ከኣ ጻዕዳ ኽዳውንቲ፡ ምእንቲ ኽትርኢ ነዒንትኻ ኽትኰሓለሉውን ኵሕሊ ኻባይ ክትዕድግ እመኽረካ ኣሎኹ። 19ኣነ ነቶም ዘፍቅሮም ዘበሉ እገንሖም እቐጽዖምውን እየ። ደጊም ቅናእ እሞ ተነሳሕ። 20እንሆ፡ ኣብ ደገ ቤት ደው ኢለ ኳሕኳሕ አብል ኣሎኹ። ሓደ እኳ ድምጸይ ሰሚዑስ ማዕጾ እንተ ኸፈተለይ፡ ናብኡ ኽኣቱ ምስኡ ኸኣ ክድረር እየ፡ ንሱውን ምሳይ። 21ከምቲ ኣነውን ዝሰዓርኩ እሞ ምስ ኣቦይ ኣብ ዝፋኑ እተቐመጥኩ፡ ነቲ ዝስዕር ኣብ ዝፋነይ ምሳይ ክቕመጥ ክህቦ እየ። 22እዝኒ ዘላቶ እቲ መንፈስ ንማሕበራት ዝብለን ዘሎ ይስማዕ።
           ራ. ዮሃንስ  ምዕራፍ 4
   1ድሕርዚ ድማ፡ እንሆ፡ ኣብ ሰማይ ክፉት ደገ ርአኹ እቲ ምሳይ ክዛረብ ከሎ ዝሰማዕክዎ ኸም መለከት ዝዀነ ቐዳማይ ድምጺ ኸኣ፡ ድሕሪ ሕጂ ዝኸውን ነገር ከርእየካስ ነጀው ደይብ፡ በለኒ። 2ሽዑ ብመንፈስ ኰንኩ፡ እንሆ ድማ፡ ኣብ ሰማይ ዝፋን ተነቢሩ፡ ኣብቲ ዝፋንውን ሓደ ተቐሚጡ ነበረ። 3እቲ ተቐሚጥዎ ዝነበረ ኸኣ፡ ትርኢቱ እምኒ ያስጲስን ሰርድዮስን ይመስል፡ ነቲ ዝፋን ድማ ስመራግድ ዝመስል ቀስቲ ደበና ኸቢብዎ ነበረ። 4ኣብ ዙርያ እቲ ዝፋን ከኣ ዕስራን ኣርባዕተን ዝፋናት፡ ኣብቲ ዝፋናትውን ጻዕዳ ኽዳውንቲ እተኸድኑ ኣብ ረርእሶም ከኣ ኣኽሊል ወርቂ እተኸለሉ ዕስራን ኣርባዕተን ሽማግሌታት ተቐሚጦም ርአኹ። 5ካብቲ ዝፋን ከኣ መባርቕን ደሃያትን ነጐዳታትን ወጸ። ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ከኣ ሾብዓተ መብራህቲ ሓዊ ይነድድ ነበረ። ንሳቶም እቶም ሾብዓተ መናፍስቲ ኣምላኽ እዮም። 6ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ድማ ከም ባሕሪ መረጸን ዝዀነ፡ ክሪስታል ዝመስል ኣሎ። ብቕድሚቶምን ብድሕሪቶምን ኣዒንቲ ዝመልኦም ኣርባዕተ እንስሳውን ኣብ ማእከል እቲ ዝፋንን ኣብ ዙርያ እቲ ዝፋንን ኣለዉ። 7እቲ ቐዳማይ እንስሳ ኸኣ ኣንበሳ ይመስል፡ እቲ ኻልኣይ እንስሳ ድማ ብዕራይ ይመስል፡ እቲ ሳልሳይ እንስሳ ኸኣ ከም ገጽ ሰብ ዝመስል ገጽ ኣለዎ፡ እቲ ራብዓይ እንስሳውን ዝነፍር ንስሪ እዩ ዝመስል። 8እቶም ኣርባዕተ እንስሳ ድማ ነፍሲ ወከፎም ሸሹድሽተ ኽንፊ ኣለዎም፡ ብዙርያኦምን ብውሽጦምን ከኣ ኣዒንቲ መሊእዎም እዩ፡ ለይትን መዓልትን ከየቋረጹ ድማ፡ እቲ ዝነበረን ዘሎን ዝመጽእን ኵሉ ዝከኣሎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ቅዱስ፡ ቅዱስ፡ ቅዱስ እዩ፡ ይብሉ። 9እቶም እንስሳ ነቲ ኣብ ዝፋን እተቐመጠ፡ ንዘለኣለመ ኣለም ህያው ኰይኑ ዝነብር፡ ክብርን ስብሓትን ምስጋናን ክህብዎ ኸለዉ፡ 10-11እቶም ዕስራን ኣርባዕተን ሽማግሌታት ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎ ፍግም ኢሎም፡ ዎ ጐይታናን ኣምላኽናን፡ ንብዘሎ ንስኻ ፈጠርካዮ፡ ስለ ፍቓድካውን ኰይኑን ተፈጢሩን እዩ እሞ፡ ንስኻ ኽብርን ስብሓትን ስልጣንን ንምውሳድ ብቑዕ ኢኻ፡ እናበሉ፡ ነቲ ንዘለኣለመ ኣለም ህያው ኰይኑ ዝነብር እናሰገዱ ኣኽሊላቶም ናብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ይድርብዩ ኣለዉ።
           ራ. ዮሃንስ  ምዕራፍ 5
   1ኣብ የማን እቲ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎ ድማ ብውሽጡን ብወጻኢኡን ተጻሒፉ፡ ብሾብዓተ ማሕተም እተሓትመ መጽሓፍ ርአኹ። 2ሓደ ብርቱዕ መልኣኽ ድማ፡ ነዚ መጽሓፍ እዚ ክግንጽሎ ንመሓትሙውን ክፈትሖ ዝበቅዕ መን ኣሎ፧ ኢሉ ብብርቱዕ ድምጺ ኽጭርሕ ከሎ ርአኽዎ። 3ነቲ መጽሓፍ እቲ ኽግንጽሎ ወይስ ክርእዮ ኣብ ሰማይ፡ ወይስ ኣብ ምድሪ፡ ወይስ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ንሓደ እኳ ኣይተኻእሎን። 4ኣነ ድማ፡ ነቲ መጽሓፍ ዝግንጽሎ ወይስ ዝርእዮ ብቑዕ ሓደ እኳ ስለ ዘይተረኽበ፡ ብዙሕ በኸኹ። 5ካብቶም ሽማግሌታት ሓደ ድማ፡ ኣይትብከ፡ እንሆ፡ እቲ ኻብ ነገድ ይሁዳ ዝዀነ ኣንበሳ፡ እቲ ሱር ዳዊት፡ ነቲ መጽሓፍ ክግንጽሎን ነቲ ሾብዓተ ማሕተሙውን ክፈትሖን ስዒሩ ኣሎ፡ በለኒ።
   6ኣብ ማእከል እቲ ዝፋንን እቶም ኣርባዕተ እንስሳን ኣብ ማእከል እቶም ሽማግሌታትን ተሓሪዱ ኸም ዝነበረ ዝመስል ገንሸል ደው ኢሉ ርአኹ። ንሱ ሾብዓተ ቐርንን ሾብዓተ ዓይንን ኣለዉዎ፡ ንሳቶም ከኣ እቶም ናብ ብዘላ ምድሪ እተላእኩ ሾብዓተ መናፍስቲ ኣምላኽ እዮም። 7ንሱ መጺኡ፡ ነቲ መጽሓፍ ካብ የማነይቲ ኢድ እቲ ኣብ ዝፋን እተቐመጠ ወሰዶ። 8ነቲ መጽሓፍ ምስ ወሰዶ ኸኣ፡ እቶም ኣርባዕተ እንስሳን እቶም ዕስራን ኣርባዕተን ሽማግሌታትን፡ ነፍሲ ወከፎም መሰንቆን ዕጣን ዝመልአ ጽዋእ ወርቅን ሒዞም፡— እዚ ድማ ጸሎት እቶም ቅዱሳት እዩ፡— ኣብ ቅድሚ እቲ ገንሸል ተደፍኡ። 9-10ንሳቶም ከኣ፡ ተሓሪድካስ ብደምካ ኻብ ብዘሎ ዓሌታትን ቋንቋታትን ህዝብን ኣህዛብን ንኣምላኽ ዝዀኑ ሰባት ዓዲግካሉ ኢኻ፡ ንኣምላኽና ዝዀኑ መንግስትን ካህናትን ገቢርካዮም፡ ኣብ ምድሪ ድማ ክነግሱ እዮም እሞ፡ ንስኻ ነቲ መጽሓፍ ክትወስዶ፡ ነቲ መሓተምውን ክትፈትሖ ብቑዕ ኢኻ፡ እናበሉ ሓድሽ መዝሙር ዘመሩ።
   11ርአኹ ድማ፡ ኣብ ዙርያ እቲ ዝፋንን እቶም ኣርባዕተ እንስሳን እቶም ሽማግሌታትን ከኣ ድምጺ ብዙሓት መላእኽቲ ሰማዕኩ፡ ቍጽሮም ድማ ኣእላፍ ግዜ ኣእላፍ፡ ኣሻሕ ግዜውን ኣሻሕ እዩ። 12ዓው ብዝበለ ድምጺ ኸኣ፡ እቲ እተሓርደ ገንሸል፡ ንሱ ስልጣንን ሃብትን ጥበብን ሓይልን ክብርን ግርማን ውዳሴን ክወስድ ብቑዕ እዩ፡ በሉ። 13ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኣብ ትሕቲ ምድርን ኣብ ባሕርን ዘሎ ፍጡር ኣባታቶም ዘሎ ዘበለ ዅሉውን፡ በረኸትን ክብርን ግርማን ስልጣንን ንዘኣለመ ኣለም ነቲ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎን ነቲ ገንሸልን ይኹን ክብሉ ኸለዉ ሰማዕኩ። 14እቶም ኣርባዕተ እንስሳ ኸኣ፡ ኣሜን፡ በሉ። እቶም ሽማግሌታትውን ፍግም ኢሎም ሰገዱ።
           ራ. ዮሃንስ  ምዕራፍ 6
   1እቲ ገንሸል ካብቲ ሾብዓተ ማሕተምሲ ሓደ ምስ ፈትሐ ኸኣ፡ ርአኹ፡ ሓደ ኸም ደሃይ ነጕዲ ዝበለ ድማ፡ ንዓ እሞ ርአ፡ ክብል ከሎ ሰማዕኩ። 2ርአኹውን እንሆ፡ ኣምበላይ ፈረስ፡ እቲ ተቐሚጥዎ ዘሎ ድማ ቀስቲ ኣለዎ ኣኽሊልውን ተዋህቦ፡ እናሰዓረስ ክስዕር ከኣ ወጸ።
   3ነቲ ኻልኣይ ማሕተም ምስ ፈትሖ ድማ፡ እቲ ኻልኣይ እንስሳ፡ ንዓ እሞ ርአ፡ ክብሎ ከሎ ሰማዕኩ። 4ካልእ ሓመር ፈረስ ድማ ወጸ፡ ነቲ ተቐሚጥዎ ዘሎ ኸኣ፡ ንሓድሕዶም ምእንቲ ኽቃተሉስ፡ ንሰላም ካብ ምድሪ ከርሕቓ ተዋህቦ፡ ዓቢዪ ሰይፊውን ተዋህቦ።
   5ነቲ ሳልሳይ ማሕተም ምስ ፈትሖ ኸኣ፡ እቲ ሳልሳይ እንስሳ፡ ንዓ እሞ ርአ፡ ክብሎ ከሎ ሰማዕኩ። ርአኹውን እንሆ፡ መጋል ፈረስ፡ እቲ ተቐሚጥዎ ዘሎ ኸኣ ኣብ ኢዱ ሚዛን ኣለዎ። 6ኣብ መንጎ እቶም ኣርባዕተ እንስሳ ድማ ከም ድምጺ ዝበለ፡ ሓደ ኮይኒክስ ስርናይ ብዲናር፡ ሰለስተ ኮይኑክስ ስገም ከኣ ብዲናር፡ ዘይትን ወይንን ኣይትጕዳእ፡ ክብል ከሎ ሰማዕኩ።
   7ነቲ ራብዓይ ማሕተም ምስ ፈትሖ ኸኣ፡ ድምጺ እቲ ራብዓይ እንስሳ፡ ንዓ እሞ ርአ፡ ክብል ከሎ ሰማዕኩ። 8ርአኹውን እንሆ፡ ቡላ ፈረስ፡ ምስ እቲ ተቐሚጥዎ ዘሎውን ሞት እዩ፡ ሲኦል ከኣ ይስዕቦ። ብሰይፍን ጥሜትን ፌራን ብኣራዊት ምድርን ገይሮም፡ ንራብዓይ ኣፍ ምድሪ ክቐትልዎ ስልጣን ተዋህቦም።
   9ነቲ ሓምሳይ ማሕተም ምስ ፈትሖ ኸኣ፡ ነፍሳት እቶም ስለ ቓል ኣምላኽን ስለቲ ዝነበሮም ምስክርን እተሓርዱ ኣብ ትሕቲ መሰውኢ ርአኹ። 10ዓው ብዝበለ ድምጺ ኸኣ፡ ዎ ቅዱስን ሓቀኛን ጐይታ፡ ክሳዕ መኣዝ ኢኻ ዘይትፈርድ፧ ነቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉኻ ኽሳእ መኣዝ ኢኻ ሕነ ደምና ዘይትፈድዮም፧ እናበሉ ጠርዑ። 11ንነፍሲ ወከፎም ድማ ጻዕዳ ኽዳን ተዋህቦም፡ እቶም ከማታቶም ክቕተሉ ዘለዎም ብጾቶም ባሮትን ኣሕዋቶምን ክሳዕ ዝምልኡ ኸኣ፡ ገና ቕሩብ ዘመን ክዓርፉ ተባህለሎም።
   12ነቲ ሳድሳይ ማሕተም ምስ ፈትሖ ኸኣ፡ ርአኹ እሞ ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዀነ፡ ጸሓይ ከም ወጮ ጸልመተ፡ ወርሒውን ብዘላ ኸም ደም ኰነት። 13ኦም በለስ፡ ብርቱዕ ንፋስ ሰሰው ምስ ኣበላ፡ ነቲ ዝጐዐ ፍሪኣ ኸም እተርግፍ፡ ከምኡ ኸኣ ከዋኽብቲ ሰማይ ኣብ ምድሪ ወደቑ። 14ሰማይውን ከም ዝጥቕለል ክታብ ኣግለሰ። ብዘለዉ ኣኽራንን ደሴታትን ካብ ሰስፍራኦም ገዓዙ። 15ነገስታት ምድርን መሳፍንትን ሓላቑ ኣሻሓትን ሃብታማትን ሓያላትን ኵሎም ባሮትን ጭዋታትን ኣብ ጐደጕድን ኣብ በዓትታት ኣኽራንን ተሓብኡ። 16ነኽራንን ነኻውሕን ድማ ካብ ገጽ እቲ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎን ካብ ቍጥዓ እቲ ገንሸልንሲ ኣብ ልዕሌና ወዲቕኩም ከውሉና፡ በልዎም። 17እታ ዓባይ መዓልቲ ቍጥዓኦም መጺኣ እያ እሞ፡ መንከ እዩ ደው ክብል ዝኽእል፧
           ራ. ዮሃንስ  ምዕራፍ 7
   1ድሕርዚ ድማ ኣርባዕተ መላእኽቲ ኣብ ኣርባዕተ መኣዝን ምድሪ ደው ኢሎም፡ ኣብ ምድሪ ወይስ ኣብ ባሕሪ ኣብ ኦም ዘበለውን ንፋስ ከይነፍስ፡ ነቶም ኣርባዕተ ንፋሳት ምድሪ ሒዞምዎም ርአኹ። 2ማሕተም እቲ ህያው ኣምላኽ ዘለዎ ኻልእ መልኣኽውን ካብ ምብራቕ ጸሓይ ክወጽእ ከሎ ርአኹ። ንሱ ኸኣ ነቶም ምድርን ባሕርን ክጐድኡ እተዋህቦም ኣርባዕተ መላእኽቲ ብብርቱዕ ድምጺ ጸውዖም እሞ፡ 3ነቶም ባሮት ኣምላኽና ኣብ ገግምባሮም ክሳዕ እንሓትሞምሲ፡ ምድሪ፡ ወይስ ባሕሪ፡ ወይስ ኣእዋም ኣይትጕድኡ፡ በለ። 4ቍጽሪ እቶም ሕቱማት ድማ ሰማዕኩ፡ ካብ ብዘሎ ነገድ ደቂ እስራኤል ሚእትን ኣርብዓን ኣርባዕተን ሽሕ ሕቱማት። 5ካብ ነገድ ይሁዳ ዓሰርተው ክልተ ሽሕ ተሓትሙ፡ ካብ ነገድ ሮቤል ዓሰርተው ክልተ ሽሕ፡ ካብ ነገድ ጋድ ዓሰርተው ክልተ ሽሕ፡ 6ካብ ነገድ ኣሴር ዓሰርተው ክልተ ሽሕ፡ ካብ ነገድ ንፍታሌም ዓሰርተው ክልተ ሽሕ፡ ካብ ነገድ ምናሴ ዓሰርተው ክልተ ሽሕ፡ 7ካብ ነገድ ስምኦን ዓሰርተው ክልተ ሽሕ፡ ካብ ነገድ ሌዊ ዓሰርተው ክልተ ሽሕ ተሓትሙ፡ ካብ ነገድ ይሳኮር ዓሰርተው ክልተ ሽሕ፡ 8ካብ ነገድ ዛብሎን ዓሰርተው ክልተ ሽሕ፡ ካብ ነገድ ዮሴፍ ዓሰርተው ክልተ ሽሕ፡ ካብ ነገድ ብንያም ዓሰርተው ክልተ ሽሕ ተሓትሙ።
   9ድሕርዚ ድማ ርአኹ፡ እንሆ፡ ካብ ኵሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ህዝብታትን ካብ ብዘሎ ቛንቋታትን እተኣከቡ፡ ሓደ እኳ ክቘጽሮም ዘይክእል ብዙሓት ሰብ፡ ጻዕዳ ኽዳውንቲ ተኸዲኖም፡ ጨነፍር ስየ ኣብ ኣእዳዎም ሒዞም፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋንን ኣብ ቅድሚ እቲ ገንሸልን ደው ኢሎም ርአኹ እሞ፡ 10ምድሓን ናይቲ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎ ኣምላኽናን ናይቲ ገንሸልን እዩ፡ እናበሉ ዓው ኢሎም ጨደሩ። 11-12እቶም መላእኽቲውን ኵላቶም ኣብ ዙርያ እቲ ዝፋንን እቶም ሽማግሌታትን እቶም ኣርባዕተ እንስሳን ቈሙ። ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ፍግም ኢሎም ከኣ፡ ኣሜን፡ ውዳሴን ግርማን ጥበብን ምስጋናን ክብርን ስልጣንን ሓይልን ንዘለኣለም ኣለም ንኣምላኽና ይኹን፡ ኣሜን፡ እናበሉ ንኣምላኽ ሰገዱ።
   13ካብቶም ሽማግሌታት ሓደ ድማ፡ እዞም ጻዕዳ ኽዳውንቲ እተኸድኑስ እንታዎት እዮም፧ ካበይከ መጹ፧ ኢሉ መለሰለይ። 14ኣነውን፡ ጐይታይ፡ ንስኻ ትፈልጥ፡ በልክዎ። ንሱ ኸኣ፡ እዚኣቶም ካብቲ ብርቱዕ ጸበባ ዝመጹ እዮም፡ ንኽዳውንቶም ከኣ ብደም እቲ ገንሸል ሓጺቦም ኣጻዕደዉ፡ 15ስለዚ ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ኣምላኽ እዮም፡ ኣብታ መቕደሱውን ለይትን መዓልትን የገልግልዎ ኣለዉ። እቲ ኣብቲ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎ ኸኣ ንድንኳኑ ኣብ ልዕሊኦም ክተኽሎ እዩ። 16-17እቲ ኣብ ማእከል ዝፋን ዘሎ ገንሸል ስለ ዝጓስዮም፡ ናብ ዔላታት ማይ ህይወት ከኣ ስለ ዝመርሖም፡ ኣምላኽውን ካብ ኣዒንቶም ንብዓት ዘበለ ኽደርዘሎም እዩ እሞ፡ ደጊምሲ ኣይክጠምዩን ኣይክጸምኡን እዮም፡ ጸሓይን ሃሩርን ድማ ከቶ ኣይክረኽቦምን እዩ፡ በለኒ።
           ራ. ዮሃንስ  ምዕራፍ 8
   1ነቲ ሳብዓይ ማሕተም ምስ ፈትሖ ኸኣ፡ ኣብ ሰማይ ኣስታት ፈረቓ ሰዓት ዝኣክል ስቕታ ዀነ። 2ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ድማ ሾብዓተ መላእኽቲ ደው ኢሎም ርአኹ፡ ሾብዓተ መለኸትውን ተዋህቦም።
   3ካልእ መልኣኽውን መጸ እሞ፡ ጽንሃህ ወርቂ ሒዙ ኣብ መሰውኢ ደው በለ፡ ነቲ ጸሎት ኵሎም ቅዱሳት ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ቅድሚ ዝፋን ዘሎ መሰውኢ ወርቂ ምእንቲ ኽወስኾ ኸኣ፡ ብዙሕ ዕጣን ተዋህቦ። 4እቲ ትኪ ዕጣን ከኣ ምስቲ ጸሎት እቶም ቅዱሳት ኰይኑ ኻብ ኢድ እቲ መልኣኽ ናብ ቅድሚ ኣምላኽ ደየበ። 5እቲ መልኣኽ ድማ ጽንሃህ ወሲዱ ኻብ ሓዊ እቲ መሰውኢ መልኦ፡ ናብ ምድሪውን ደርበዮ፡ ነጐዳታትን ጭርሓታትን በርቅታትን ምንቅጥቃጥ ምድሪን ከኣ ዀነ።
   6እቶም ሾብዓተ መለኸት ዘለዎም ሾብዓተ መላእኽቲ ድማ መለኸት ክነፍሑ ተዳለዉ።
   7እቲ ቐዳማይ መልኣኽ መለኸት ነፍሐ እሞ ደም እተሖሶ በረድን ሓውን ኰነ፡ ናብ ምድሪውን ተደርበየ። ሲሶ ምድሪ ኸኣ ነደደ፡ ሲሶ ኣእዋምውን ነደደ፡ ብዘሎ ለምለም ሳዕሪ ድማ ነደደ።
   8እቲ ኻልኣይ መልኣኽውን መለኸት ነፍሐ፡ ከም ከረን ዝበለ ነዳዲ ሓዊ ድማ ናብ ባሕሪ ተደርበየ። ሲሶ ባሕሪ ኸኣ ደም ኰነ። 9ሲሶ እቲ ኣብ ባሕሪ ዝነብር ነፍሲ ዘለዎ ፍጡር ድማ ሞተ፡ ሲሶ መራኽብውን ጠፍኣ።
    10እቲ ሳልሳይ መልኣኽ ከኣ መለኸት ነፍሐ፡ ዓብዪ ኰዀብ ከም መብራህቲ እናነደደ ኻብ ሰማይ ወደቐ፡ ኣብ ሲሶ ርባታትን ዓይኒ ማያትን ከኣ ወደቐ። 11ስም እቲ ኰዀብ ድማ ምረት እዩ ዝብሃል፡ ሲሶ እቲ ማያት ከኣ መረረ፡ መሪር ብምዃኑውን ብሰሪ እቲ ማይ ብዙሓት ሰብ ሞቱ።
   12እቲ ራብዓይ መልኣኽውን መለኸት ነፍሐ፡ ሲሶኦም ምእንቲ ኽጽልምት፡ መዓልቲ ሲሶኣ ምእንቲ ኸይበርህሲ ለይቲውን ከምኣ ሲሶ ጸሓይን ሲሶ ወርሕን ሲሶ ኸዋኽብትን ተወቕዕ።
13ርአኹ ድማ፡ ሓደ ንስሪ ኣብ ማእከል ሰማይ ክዝምቢ ዓው ብዝበለ ቓልውን፡ ብሰሪ እተን ተሪፈን ዘለዋ ደሃይ መለኸት ናይቶም መለኸት ክነፍሑ ዘለዎም ሰለስተ መላእኽቲ፡ ነቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ዘለዉ ወይለኦም፡ ወይለኦም፡ ወይለኦም፡ ክብል ከሎ ሰማዕኩ።
           ራ. ዮሃንስ  ምዕራፍ 9
   1እቲ ሓምሻይ መልኣኽ ድማ መለኸት ነፍሐ፡ ኰዀብ ከኣ ካብ ሰማይ ናብ ምድሪ ኽወድቕ ከሎ ርኣኹ፡ መርሖ ዓሚቝ ዔላውን ተዋህቦ። 2ነቲ ዓሚቝ ዔላ ድማ ከፈቶ። ካብቲ ዔላ ኸኣ ከም ትኪ ዓብዪ እቶን ዝመስል ትኪ ወጸ። ብትኪ እቲ ዔላ ድማ ጸሓይን ኣየርን ጸልመተ። 3ካብቲ ትኪ ድማ ኣንበጣ ናብ ምድሪ ወጸ፡ ከምቲ ንዕንቅርቢታት ኣብ ምድሪ ስልጣን ዘለወን ከኣ፡ ስልጣን ተዋህቦ። 4ንእኡውን፡ ነቶም ኣብ ግምባሮም ማሕተም ኣምላኽ ዘይብሎም ሰባት ጥራይ ደኣ እምበር፡ ኣብ ምድሪ ንዘሎስ፡ ንሳዕሪ፡ ወይስ ለምለም ንዘበለ፡ ወይስ ነእዋም ኣይትጕድኣዮም፡ ተባህለሉ። 5ሓሙሽተ ወርሒ ደኣ ኽሳቕዮም እምበር፡ ከይቀትሎምውን ተዋህቦ። እቲ ስቓዮም ከም ስቓይ ዕንቅርቢት ንሰብ ክትነክስ ከላ እዩ። 6በተን መዓልትታት እቲኣተን ሰባት ንሞት ክደልይዎ እሞ ኣይክረኽብዎን እዮም፡ ሙማትውን ክምነዩ እዮም፡ እቲ ሞት ግና ካባታቶም ክሃድም እዩ።
   7ትርኢት እቲ ኣንበጣ ድማ ንውግእ እተዳለዉ ኣፍራስ ይመስል፡ ኣብ ረርእሱውን ኣኽሊላት ወርቂ ዝመስል አለዎ፡ ገጹ ኸኣ ከም ገጽ ሰብ እዩ። 8ከም ጸጕሪ ኣንስቲ ዝበለ ጸጕሪ ድማ ኣለዎ፡ ኣስናኑውን ከም ኣስናን ኣናብስ እዩ። 9ድርዒ ሓጺን ዝመስል ድርዒ ኸኣ ኣለዎ፡ ደሃይ ኣኽናፉውን ከም ደሃይ ሰረገላታት፡ ናብ ውግእ ዝጋልቡ ብዙሓት ኣፍራስ እዩ። 10ከም ጭራ ዕንቅርቢት ዝመስል ጭራን ሕንዝን ኣለዎ፡ ንሰብሲ ሓሙሽተ ወርሒ ኽጐድኦም ከኣ ኣብ ጭራኡ ስልጣን ኣለዎ። 11ንጉስ ኣለዎ፡ ንሱ መልኣኽ መዓሙቝ እዩ፡ ስሙ ብእብራይስጢ ኣባዶን እዩ፡ ብጽርኢ ኸኣ ስሙ ኣጶልዮን ይብሃል።
   12እቲ ቐዳማይ ወዮ ሓሊፉ፡ ድሕርዚ ኸኣ እንሆ፡ ገና ኽልተ ወዮ ይመጽእ ኣሎ።
   13-14እቲ ሳድሳይ መልኣኽውን መለኸት ነፍሐ፡ ካብተን ኣርባዕተ ቐርኒ ናይቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዘሎ መሰውኢ ወርቂ ነቲ መለኸት ዘለዎ ሳድሳይ መልኣኽ፡ ነቶም ኣብቲ ዓብዪ ርባ ኤፍራጥስ ተኣሲሮም ዘለዉ ኣርባዕተ መላእኽቲ ፍትሓዮም፡ ዝብሎ ድምጺ ሰማዕኩ። 15እቶም ነታ ሰዓትን መዓልትን ወርሕን ዓመትን እተዳለዉ ኣርባዕተ መላእኽቲ፡ ንሲሶ ሰብ ምእንቲ ክቐትሉ፡ ተፈትሑ። 16ቍጽሪ እቶም ሰራዊት ፈረሰኛታት ከኣ ክልተ እልፊ ግዜ እልፊ እዩ፡ ቍጽሮም ሰማዕኩ። 17ብራእይውን ከምኡ እቶም ኣፍራስን እቶም ተቐሚጦምዎም ዘለዉን ርአኹ። ሓውን ህያክንቶስን ዲንን ዝመስል ድርዒ ኣለዎም። ኣራእስ እቶም ኣፍራስ ከም ኣራእስ ኣናብስ ይመስል፡ ካብ ኣፎምውን ሓውን ትክን ዲንን ይወጽእ። 18በቲ ኻብ ኣፎም ዝወጸ ሓውን ትክን ዲንን፡ በዘን ሰለስተ መዓት እዚአን ሲሶ ሰብ ተቐትለ። 19ስልጣን እቶም ኣፍራስ ኣብ ኣፎምን ኣብ ጭራኦምን እዩ እሞ፡ እቲ ጭራኦም ኣትማን እዩ ዝመስል፡ ኣራእስውን ኣለዎ፡ ብእኡ ገይሮም ድማ እዮም ዝጐድኡ። 20እቶም በዘን መዓት እዚኣተን ከይተቐትሉ ዝተረፉ ሰባት ከኣ፡ ንኣጋንንትን ነቶም ክርእዩ፡ ወይስ ክሰምዑ፡ ወይስ ክኸዱ ዘይከኣሎም ጣኦታት ወርቅን ብሩርን ኣስራዝን ኣእማንን ኣዕጻውን ከይሰግዱ ኻብቲ ግብሪ ኣእዳዎም ኣይተነስሑን። 21ካብ ነፍሲ ምቕታሎም፡ ወይስ ካብ ኣስማቶም፡ ወይስ ካብ ምንዝርናኦም፡ ወይስ ካብ ስርቆም ኣይተነስሑን።
           ራ. ዮሃንስ  ምዕራፍ 10
   1ካልእ ብርቱዕ መልኣኽ ከኣ ደበና ተወንዚፉ ኻብ ሰማይ ክወርድ ከሎ ርአኹ። ኣብ ልዕሊ ርእሱ ኸኣ ቀስቲ ደበና ኣሎ፡ ገጹ ድማ ከም ጸሓይ እዩ፡ ኣእጋሩውን ከም ኣዕኑድ ሓዊ እየን። 2ኣብ ኢዱ ኸኣ ሓንቲ ንእሽቶ ግንጽልቲ መጽሓፍ ኣላቶ። ነታ የማነይቲ እግሩ ኣብ ባሕሪ ረገጸላ፡ ነታ ጸጋመይቲ ድማ ኣብ ምድሪ ረገጸላ። 3ከም ዝጓዝም ኣንበሳ ኸኣ ዓው ብዝበለ ድምጺ ጨደረ። ምስ ጨደረ ኸኣ፡ እቶም ሾብዓተ ነጐዳታት ብድምጾም ተዛረቡ። 4እቶም ሾብዓተ ነጐዳታት ምስ ተዛረቡ፡ ኣነ ኽጽሕፍ ደሌኹ። ካብ ሰማይውን፡ ነቲ እቶም ሾብዓተ ነጐዳታት እተዛረብዎስ ሕተሞ ኣይትጽሓፎ፡ ዝብል ድምጺ ሰማዕኩ።
   5እቲ ኣብ ባሕርን ኣብ ምድርን ደው ኢሉ ዝርአኽዎ መልኣኽ ድማ ንየማነይቲ ኢዱ ናብ ሰማይ ኣቢሉ ዘርግሓ እሞ፡ 6-7ብመዓልትታት ድምጺ እቲ ሳብዓይ መልኣኽ ንሱ መለኸት ክነፍሕ ምስ ተዳለወ፡ እቲ ምስጢር ኣምላኽ ከኣ ከምቲ ነቶም ባሮቱ ነብያት ዘበሰሮም፡ ሽዑ ኽፍጸም እዩ እምበር፡ ደጊምሲ ዘመን ኣይክኸውንን እዩ፡ ኢሉ በቲ ንሰማይን ኣብኡ ዘሎን፡ ንምድርን ኣብኡ ዘሎን፡ ንባሕርን ኣብኣ ዘሎን ዝፈጠረ፡ ንዘለኣለም ኣለምን ህያው ኰይኑ ዝነብር መሓለ።
   8እቲ ኻብ ሰማይ ዝሰማዕክዎ ድምጺ ኸኣ፡ ኪድ እሞ ነታ ኣብ ኢድ እቲ ኣብ ባሕርን ምድርን ደው ኢሉ ዘሎ መልኣኽ ዘላ ንእሽቶ ግንጽልቲ መጽሓፍ ውሰዳ፡ ኢሉ ኸም ብሓድሽ ምሳይ ተዛረበ። 9ናብቲ መልኣኽ ከይደ ድማ፡ ነታ መጽሓፍ ሃበኒ፡ በልክዎ። ንሱ ኸኣ፡ ውሰዳ እሞ ብልዓያ፡ ንኸብድኻ መሪር ክትገብሮ እያ፡ ኣብ ኣፍካ ግና ከም መዓር ጥዕምቲ ኽትከውን እያ፡ በለኒ። 10ነታ ንእሽቶ መጽሓፍ ከኣ ካብ ኢድ እቲ መልኣኽ ወሲደ በላዕክዋ፡ ኣብ ኣፈይ ከም መዓር ጠዓመትኒ፡ ምስ በላዕክዋ ግና፡ ከብደይ መረረ እሞ፡ 11ከም ብሓድሽ ከኣ ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ህዝብታትን ኣህዛብን ቋንቋታትን ነገስታትን ክትንበ ይግብኣካ እዩ፡ ተባህለለይ።
           ራ. ዮሃንስ  ምዕራፍ 11
   1ዘንጊ ዝመስል ሻምብቆ ኸኣ ተዋህበኒ፡ ሓደ ድማ፡ ተንስእ እሞ ነታ መቕደስ ኣምላኽን መሰውእን ነቶም ኣብኣ ዝሰግዱን ስፈር፡ በለኒ። 2እቲ ብወጻኢ መቕደስ ዘሎ ቐጽሪ ግና ነህዛብ ተዋሂቡ እዩ እሞ፡ ሕደጎ ኣይትስፈሮውን፡ ነታ ቅድስቲ ኸተማ ኸኣ ኣርብዓን ክልተን ወርሒ ኽረግጽዋ እዮም። 3ነቶም ክልተ ምስክረይውን፡ ወጮ ተወንዚፎም፡ ሽሕን ክልተ ሚእትን ስሳን መዓልቲ ኽንበዩ ኽህቦም እየ። 4እዚኣቶም ኣብ ቅድሚ እቲ ጐይታ ምድሪ ዝቘሙ ኽልተ ኣዋልዕን ክልተ ቐወምቲ ቐንዴልን እዮም። 5ሓደ እኳ ኽጎድኦም እንተ ደለየ ድማ፡ ካብ ኣፎም ሓዊ ይወጽእ እሞ ንጸላእቶም ይበልዖም። ሓደ እኳ ኽጎድኦም እንተ ደለየ ኸኣ፡ ከምኡ ክቕተል ይግብኦ እዩ። 6እዚኣቶም በተን መዓልትታት ትንቢቶም ዝናም ምእንቲ ኸይዘንም ንሰማይ ክዓጽውዎ ስልጣን ኣለዎም። ናብ ደም ክልውጥዎ ኣብ ልዕሊ ማያትን ንምድሪ ብዝደለይዎ መጠን ብመዓት ዘበለ ክቐዝፍዋን ስልጣን ኣለዎም። 7ምስክሮም ምስ ፈጸሙ ኸኣ፡ እቲ ኻብ መዓሙቝ ዝወጽእ ኣራዊት ምሳታቶም ውግእ ክገብርን ክስዕሮምን ክቐትሎምን እዩ። 8ሬሳታቶም ከኣ ኣብ ኣደባባይ እታ ጐይታኦም እተሰቕለላ፡ ብመንፈሳዊ ሓሳብ ከኣ ሰዶምን ግብጽን እትብሃል ዓባይ ከተማ ኽተርፍ እዩ። 9ሰብ ድማ ካብ ኣህዛብን ዓሌታትን ቋንቋታትን ህዝብታትን ነቲ ሬሳታቶም ሰለስተ መዓልትን ፈረቓን ይርእዩዎም፡ ነቲ ሬሳታቶምሲ ኣብ መቓብር ክነብር ኣይፈቕዱን እዮም። 10እዞም ክልተ ነብያት እዚኦም ነቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ የሰቅቕዎም ነይሮም እዮም እሞ፡ እቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ብኣታቶም ይሕጐሱ ባህውን ይብሎም፡ ኣብ ንሓድሕዶም ከኣ ውህበት ክሰዱ እዮም።
  11ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲን ፈረቓን ድማ መንፈስ ህይወት ካብ ኣምላኽ ኣተዎም፡ በእጋሮምውን ቈሙ፡ ነቶም ዝጠመትዎም ከኣ ብርቱዕ ፍርሃት ወደቖም እሞ፡ 12ነጀው ደይቡ፡ ዝብሎም ዓብዪ ድምጺ ኻብ ሰማይ ሰምዑ። ብደበና ድማ ናብ ሰማይ ደየቡ እሞ እቶም ጸላእቶም ጠመትዎም። 13በታ ሰዓት እቲኣ ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዀነ፡ ዓስራይ ኢድ እታ ኸተማውን ወደቐ። በቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኸኣ ሾብዓተ ሽሕ ሰባት ተቐትሉ፡ ነቶም ዝተረፉ ድማ ፍርሃት ሓዞም ንኣምላኽ ሰማይውን ክብሪ ሃብዎ።
    14እቲ ኻልኣይ ወዮ ሓሊፉ፡ እንሆ፡ እቲ ሳልሳይ ወዮ ቐልጢፉ ይመጽእ ኣሎ።
   15እቲ ሳብዓይ መልኣኽውን መለኸት ነፍሐ፡ ኣብ ሰማይ ከኣ፡ መንግስቲ ዓለም ናይ ኣምላኽናን ናይቲ ቕቡእን ኮይና እያ እሞ ንዘለኣለም ኣለም ክነግስ እዩ፡ ዝብል ዓው ዝበለ ድምጽታት ኰነ። 16-17እቶም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣብ ዝፋናቶም ተቐሚጦም ዘለዉ ዕስራን ኣርባዕተን ሽማግሌታት ከኣ፡ ዎ ዘሎኻን ዝነበርካን፡ ኵሉ እትኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽ ነቲ ዓብዪ ስልጣንካ ስለ ዝወስድካዮን ስለ ዝነገስካን፡ ነመስግነካ ኣሎና፡ እናበሉ ብግምባሮም ተደፊኦም ንኣምላኽ ሰገዱ። 18ኣህዛብ ተቘጢዖም፡ ቍጥዓኻውን መጺኡ፡ እቲ ንምዉታት እትፈርደሉ፡ ንባሮትካ፡ ነቶም ነብያትን ቅዱሳትን ስምካ ንዝፈርሁ ናእሽቱን ዓበይትን፡ ዓስቦም እትህበሉ፡ ነቶም መጥፋእቲ ምድሪውን እተጥፍኣሉ ዘመን መጺኡ፡ በሉ።
   19እታ ኣብ ሰማይ ዘላ መቕደስ ኣምላኽ ከኣ ተኸፍተት፡ ኣብታ መቕደሱውን ታቦት ኪዳኑ ተራእየ በርቅታትን ድምጽታትን ነጐዳታትን ምንቅጥቃጥ ምድርን ዓብዪ በረድን ድማ ዀነ።
           ራ. ዮሃንስ  ምዕራፍ 12
   1ዓብዪ ትእምርቲ ድማ ኣብ ሰማይ ተራእየ፡ ሰበይቲ፡ ጸሓይ ተወንዚፋ፡ ወርሒ ኸኣ ኣብ ትሕቲ ኣእጋራ፡ ኣኽሊል ዓሰርተው ክልተ ኸዋኽብቲ ድማ ኣብ ርእሳ ዘለውዋ ተራእየት። 2ጥንስቲ ኸኣ እያ፡ ብቕልውላው ምውላድውን ትጭርሕ፡ ክትወልድ ከኣ ትጽዕር ነበረት። 3ካልእ ትእምርቲ ኸኣ ኣብ ሰማይ ተራእየ፡ እንሆ፡ ሾብዓተ ርእስን ዓሰርተ ቐርንን፡ ኣብቲ ኣራእሱውን ሾብዓተ ዘውዲ ዘለዎ ዓብዪ ቐይሕ ገበል፡ 4እቲ ጭራኡ ድማ ሲሶ ኸዋኽብቲ ሰማይ ሰሓበ፡ ናብ ምድሪውን ደርበዮም። እቲ ገበል ድማ፡ ምስ ወለደትሲ ነቲ ውሉዳ ምእንቲ ኽውሕጦ ኢሉ፡ ኣብ ቅድሚ እታ ኽትወልድ ዝቐረበት ሰበይቲ ደው በለ። 5ንሳ ንዅሎም ኣህዛብ ብበትሪ ሓጺን ክጓስዮም ዘለዎ ወዲ፡ ተባዕታይ፡ ወለደት። እቲ ውሉዳ ኸኣ ናብ ኣምላኽን ናብ ዝፋኑን ተመንጠለ። 6እታ ሰበይቲ ድማ፡ ሽሕን ክልተ ሚእትን ስሳን መዓልቲ ኽምግብዋ፡ ናብቲ ኣምላኽ ዘዳለወላ ቦታ ናብ በረኻ ሃደመት።
   7ኣብ ሰማይ ከኣ ውግእ ኰነ፡ ሚኪኤልን መላእኽቱን ምስቲ ገበል ተዋግኡ። እቲ ገበልን መላእኽቱን ድማ ተዋግእዎም። 8ኣይሰዓርዎምን ከኣ፡ ድሕርዚ ስፍራኦም ኣብ ሰማይ ኣይተረኽበን። 9እቲ ንብዘላ ዓለም ዘስሕታ ዘሎ ድያብሎስን ሰይጣንን ዝብሃሉ ዓብዪ ገበል፡ እቲ ናይ ጥንቲ ተመን ተደርበየ፡ ናብ ምድሪ ተደርበየ፡ መላእኽቱውን ምስኡ ተደርበዩ። 10ኣብ ሰማይ ከኣ ዓው ብዝበለ ድምጺ፡ እቲ ለይትን መዓልትን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽናን ዝኽሶም ዝነበረ ኸሳስ ኣሕዋትና ተደርብዩ እዩ እሞ፡ ሕጂ ምድሓንን ስልጣንን መንግስትን ናይ ኣምላኽና ዀይኑ፡ ምልኪ ኸኣ ናይቲ ቕቡእ እዩ፡ ክብል ከሎ ሰማዕኩ።
   11ሳላ ደም እቲ ገንሸልን ሳላ እቲ ቓል ምስክሮምን ድማ ሰዓርዎ፡ ንህይወቶምውን ክሳዕ ሞት ኣየፍቀርዋን። 12ስለዚ፡ ኣቱም ሰማያት፡ ኣባታቶም እትነብሩውን፡ ተሓጐሱ። ኣቱም ምድርን ባሕርን ግና፡ ድያብሎስ ቅሩብ ዘመን ከም ዘለዎ ፈሊጡ፡ ብብርቱዕ ቍጥዓ ወሪዱኩም ኣሎ እሞ፡ ወይለኹም።
   13እቲ ገበል ከኣ ናብ ምድሪ ኸም እተደርበየ፡ ምስ ረኣየ፡ ነታ ተባዕታይ ሕጻን ዝወለደት ሰበይቲ ሰጐጓ። 14ነታ ሰበይቲ ኸኣ፡ ካብ ገጽ እቲ ተመን ርሒቓስ ዘመንን ዘመናትን ፈረቓ ዘመንን ክትምገብ፡ ናብ በረኻ ናብቲ ስፍራኣ ምእንቲ ኽትነፍር፡ ክልተ ኽንፊ ናይቲ ዓብዪ ንስሪ ተዋህባ። 15እቲ ተመን ድማ፡ ውሒዝ ምእንቲ ኽወስዳስ፡ ነታ ሰበይቲ ደድሕሪኣ ኸም ውሒዝ ዝዀነ ማይ ካብ ኣፉ ኣውጽአ። 16ምድሪ ኸኣ ነታ ሰበይቲ ረድኣታ፡ እታ ምድሪ ኣፋ ኸፊታ፡ ነቲ እቲ ገበል ካብ ኣፉ ዘውጽኦ ውሒዝ ወሓጠቶ። 17እቲ ገበል ከኣ ነታ ሰበይቲ ተቘጥዓ እሞ ምስቶም ንትእዛዝ ኣምላኽ ዝሕልዉን ምስክር የሱስ ሒዞም ዘለዉን ዝተረፉ ዘርኣ ኽዋጋእ ከደ። 18ኣብ ሑጻ ባሕሪውን ደው በለ።
        ራ. ዮሃንስ  ምዕራፍ 13
   1ዓሰርተ ቐርን ሾብዓተ ርእስን፡ ኣብቲ ኣቕርንቱ ኸኣ ዓሰርተ ዘውዲ፡ ኣብቶም ኣራእሱውን ስማት ጸርፊ ዘለዎ ኣራዊት ካብ ባሕሪ ኽወጽእ ከሎ ርአኹ። 2እቲ ዝርአኽዎ ኣራዊት ከኣ ነብሪ እዩ ዝመስል፡ ኣእጋሩ ኸም ናይ ድቢ፡ ኣፉውን ከም ኣፍ ኣንበሳ እዩ። እቲ ገበል ድማ ሓይሉን ዝፋኑን ብዙሕ ስልጣንን ሃቦ። 3ሓደ ኻብቶም ኣራእሱውን ንሞት ከም እተወግአ ዀነ እሞ እታ ቝስሊ ሞቱ ሓወየት፡ ብዘላ ምድሪ ድማ ተገሪማ ደድሕሪ እቲ ኣራዊት ሰዓበት። 4ንሳቶም ከኣ፡ ነቲ ኣራዊት ስልጣን ስለ ዝሃቦ፡ ነቲ ገበል ሰገዱሉ፡ ነቲ ኣራዊትውን፡ ነዚ ኣራዊት እዝስ መን ይመስሎ፧ መንከ ኽዋግኦ ይኽእል፧ እናበሉ ሰገዱሉ። 5ቃል ትዕቢትን ጸርፍን ዝዛረብ ኣፍ ተዋህቦ፡ በርብዓን ክልተን ወርሒ ግብሩ ኽገብርውን ምልኪ ተዋህቦ። 6ንምጽራፍ ኣምላኽን ንስሙን ንማሕደሩን ነቶም ኣብ ሰማይ ዝነብሩውን ክጸርፎም ኣፉ ኸፈተ። 7ምስቶም ቅዱሳት ውግእ ክገብርን ክስዕሮምን ከኣ ተዋህቦ። ኣብ ልዕሊ ዅላቶም ዓሌታትን ህዝብን ቋንቋታትን ኣህዛብን ድማ ምልኪ ተዋህቦ። 8እቶም፡ ካብ ምስራት ዓለም ጀሚሩ ስሞም ኣብቲ ናይቲ እተሓርደ ገንሸል መጽሓፍ ህይወት ዘይተጻሕፈ፡ ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ዅላቶም ክሰግዱሉ እዮም። 9ሰብ፡ እዝኒ ደኣ እንተ ኣልያቶስ፡ ይስማዕ። 10ዝማርኽ እንተሎ፡ ተማሪኹ ይኸይድ፡ ብሰይፊ ዝቐትል እንተሎ፡ ንሱ ብሰይፊ ክቕተል ይግብኦ። ናይቶም ቅዱሳት ትዕግስትን እምነትን ኣብዚ እዩ ዘሎ።
   11ሓደ ኻልእ ኣራዊትውን ካብ ምድሪ ኽወጽእ ከሎ ርአኹ። ናይ ገንሸል ዝመስል ክልተ ቐርኒውን ኣለዎ። ከም ገበል ከኣ እዩ ዝዛረብ። 12ኣብ ቅድሚኡ ድማ ብዘሎ ስልጣን እቲ ቐዳማይ ኣራዊት ይገብር። ንሱ ነቲ እታ ቝስሊ ሞቱ ዝሓወየትሉ ቐዳማይ ኣራዊት ከኣ ምድርን እቶም ኣብኣ ዝነብሩን ከም ዝሰግዱሉ ይገብሮም። 13ኣብ ቅድሚ ሰብሲ ሓዊ እኳ ኻብ ሰማይ ናብ ምድሪ ኽሳዕ ዘውርድ፡ ዓበይቲ ትእምርቲ ይገብር። 14ነቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩውን፡ ነቲ ብሰይፊ ተወቒዑ ዝቘሰለ እሞ ዝሓወየ ኣራዊት፡ ምስሊ ኽገብሩሉ እናበለ፡ በቲ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣራዊት ኽገብሮ እተዋህቦ ትእምርትታት፡ ነቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ የስሕቶም ኣሎ። 15ምስሊ እቲ ኣራዊት ምእንቲ ኽዛረብን፡ ነቶም ንምስሊ እቲ ኣራዊት ዘይሰገዱ ዘበሉ ዅላቶም ምእንቲ ከቕትሎምን ከኣ ንምስሊ እቲ ኣራዊት ትንፋስ ክህብ ተዋህቦ። 16ንዅላቶም ከኣ፡ ነቶም ናእሽቱን ዓበይትን፡ ንሃብታማትን ድኻታትን፡ ንጭዋታትን ባሮትን ኣብ የማናይ ኢዶም ወይስ ኣብ ግምባሮም ማሕተም ከም ዝቕበሉ ይገብር ኣሎ። 17ሓደ እኳ ማሕተም ስም እቲ ኣራዊት ወይስ ቍጽሪ ስሙ እንተ ዘይብሉ፡ ክዕድግን ክሸይጥን ከም ዘይኽእል ይገብር። 18ጥበብ ኣብዚ እያ ዘላ። ቍጽሪ እቲ ኣራዊት ብቍጽሪ ሰብ እዩ እሞ፡ ኣእምሮ ዘለዎ ይጸብጽቦ። እቲ ቝጽሩ ኸኣ ሹድሽተ ሚእትን ስሳን ሹድሽተን እዩ።
        ራ. ዮሃንስ  ምዕራፍ 14
   1እንሆ ድማ፡ እቲ ገንሸል ኣብ ደብረ ጽዮን ደው ኢሉ፡ ስሙን ስም ኣቦኡን ኣብ ግምባሮም እተጻሕፎም ሚእትን ኣርብዓን ኣርባዕተን ሽሕ ከኣ ምስኡ ርአኹ። 2ከም ደሃይ ብዙሕ ማያትን ከም ደሃይ ብርቱዕ ነጐዳን ዝበለ ኻብ ሰማይ ደሃይ ሰማዕኩ። እቲ ዝሰማዕክዎ ደሃይ ከኣ ከም ደሃይ ሰብ መሰንቆ፡ መሰንቆታቶም ክድርድሩ ኸለዉ እዩ። 3ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋንን ኣብ ቅድሚ እቶም ኣርባዕተ እንስሳን ኣብ ቅድሚ እቶም ሽማግሌታትን ሓድሽ መዝሙር ዘመሩ። ነዚ መዝሙር እዚውን፡ ብዘይ እቶም ካብ ምድሪ እተዓደጉ ሚእትን ኣርብዓን ኣርባዕተን ሽሕ፡ ንሓደ እኳ ኽመሃሮ ኣይኰነሉን። 4እዚኣቶም ደናግል እዮም እሞ፡ ምስ ኣንስቲ ኣይረኸሱን። ንሳቶም ነቲ ገንሸል ናብ ዝኸዶ ዘበለ ዝስዕብዎ እዮም። ንሳቶም ንኣምላኽን ነቲ ገንሸልን በዅራት ክዀኑ፡ ካብ ደቂ ኣዳም እተዓደጉ እዮም። 5ኣብ ኣፎም ሓሶት ኣይተረኽበን እሞ ሕፍቲ ዘይብሎም እዮም።
   6ነቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩን ንዅሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ቋንቋታትን ህዝብታትን ክሰብከሎም ድማ፡ ናይ ዘለኣለም ወንጌል ዘለዎ ኻልእ መልኣኽ ኣብ ማእከል ሰማይ ክዝምቢ ኸሎ ርአኹ። 7ብብርቱዕ ድምጺ ኸኣ፡ እታ ዝፈርደላ ግዜ በጺሓ እያ እሞ፡ ንኣምላኽ ፍርህዎ ኽብሪውን ሃብዎ፡ ነቲ ሰማይን ምድርን ባሕርን ዓይኒ ማያትን ዝገበረ ስገዱሉ፡ በለ።
   8ካልእ ካልኣይ መልኣኽ ድማ፡ እታ ኻብ ወይኒ ቝጥዓ ምንዝርናኣ ንዅሎም ኣህዛብ ዘስተየቶም ዓባይ ባቢሎን ወዲቓ፡ ወዲቓ፡ እናበለ ሰዓቦ።
   9ካልእ ሳልሳይ መልኣኽ ድማ ሰዓቦም፡ ብብርቱዕ ድምጺ ኸምዚ እናበለ፡ ሓደ እኳ ነዚ ኣራዊት እዝን ንምስሉን እንተ ሰገደ፡ ኣብ ግምባሩ ወይስ ኣብ ኢዱውን ማሕተም እንተ ተቐበለ፡ 10ንሱ ድማ ካብቲ ኣብ ጽዋእ ቍጥዓኡ ብዘይምሕዋስ እተቐድሐ ወይኒ መዓት ኣምላኽ ክሰቲ እዩ፡ ኣብ ቅድሚ ቅዱሳት መላእኽትን ኣብ ቅድሚ እቲ ገንሸልን ከኣ ብሓውን ብዲንን ክስቀ እዩ። 11ትኪ ስቓዮምውን ንዘለኣለም ኣለም ይወጽእ፡ እቶም ነቲ ኣራዊትን ንምስሉን ዝሰግዱ ዘለዉ፡ ሓደ ኸኣ ማሕተም ስሙ እንተ ተቐበለ፡ ለይትን መዓልትን ዕረፍቲ የብሎምን። 12እቶም ንትእዛዛት ኣምላኽን ንእምነት የሱስን ዝሕልዉ ቅዱሳት ከኣ፡ ትዕግስቶም ኣብዚ እዩ ዘሎ፡ በለ።
   13ካብ ሰማይ ከኣ፡ ጽሓፍ፡ እቶም ካብ ሕጂ ብጐይታ ዝሞቱ ምዉታት ብጹኣን እዮም። እወ፡ ግብሮም ክስዕቦም እዩ እሞ፡ ካብ ጻዕሮም ክዓርፉ እዮም፡ ይብል መንፈስ፡ ዝብለኒ ድምጺ ሰማዕኩ።
   14ርአኹ ድማ፡ እንሆ፡ ጻዕዳ ደበናን፡ ኣብ ርእሱ ኣኽሊል ወርቂ፡ ኣብ ኢዱውን በሊሕ ማዕጺድ ዘለዎ ወዲ ሰብ ዝመስል ኣብቲ ደበና ተቐሚጡን ርአኹ። 15ካልእ መልኣኽ ድማ ካብ መቕደስ ወጺኡ ነቲ ኣብ ደበና ተቐሚጡ ዘሎ፡ ግዜ ዓጺድ ኣትዩ፡ ፍረ ምድሪውን በጺኡ እዩ እሞ፡ ንማዕጺድካ ስደዶ ዕጸድውን፡ ኢሉ ዓው ብዝበለ ድምጺ ጸውዐ። 16እቲ ኣብ ደበና እተቐመጠ ኸኣ፡ ማዕጺዱ ናብ ምድሪ ኣውረደ፡ ምድሪውን ተዓጽደት።
   17ካልእ መልኣኽ ድማ ካብታ ኣብ ሰማይ ዘላ መቕደስ ወጸ፡ ንሱውን በሊሕ ማዕጺድ ሓዘ። 18ካብቲ መሰውኢ ድማ ኣብ ልዕሊ ሓዊ ስልጣን ዘለዎ ሓደ ኻልእ መልኣኽ መጸ፡ ነቲ በሊሕ ማዕጺድ ዝሓዘ ኸኣ ዓው ብዝበለ ድማጺ እናጸውዖ፡ እቲ ኣስካል ወይኒ በሲሉ እዩ እሞ፡ ነቲ በሊሕ ማዕጺድካ ሰዲድካ፡ ነቲ ናይ ምድሪ ኣስካል ወይኒ ኽተቶ፡ በለ። 19እቲ መልኣኽ ከኣ፡ ማዕጺዱ ናብ ምድሪ ኣውሪዱ፡ ነቲ ናይ ምድሪ ወይኒ ኸተቶ እሞ፡ ናብቲ ዓብዪ መጽመቝ ናይ ቍጥዓ ኣምላኽ ደርበዮ። 20እቲ መጽመቝ ድማ ኣብ ወጻኢ ኸተማ ተረግጸ እሞ ካብቲ መጽመቝ ሽሕን ሹድሽተ ሚእትን እስታድዮስ ዝኣክል፡ ክሳዕ ልጓማት ኣፍራስውን ዝበጽሕ ደም ወጸ።
        ራ. ዮሃንስ  ምዕራፍ 15
   1ካልእ ዓብይን ዘገርምን ትእምርቲ ድማ ኣብ ሰማይ ርአኹ፡ እቲ ቝጥዓ ኣምላኽ ብኣታተን ክፍጸም እዩ እሞ፡ ነተን ሾብዓተ መላእኽቲ ሒዞምወን ዘለዉ ዳሕሮት ሾብዓተ መዓት ርአኹ።
   2ምስ ሓዊ እተሖሰ ኸም ባሕሪ መረጸን ዝመስል እሞ፡ እቶም ነቲ ኣራዊትን ነቲ ምስሉን ነቲ ቝጽሪ ስሙን ዝሰዓሩ፡ መሰንቆታት ኣምላኽ ሒዞም፡ ኣብቲ ባሕሪ መረጸን ደው ኢሎም ርአኹ እሞ፡ 3-4ኣታ ዅሉ እትኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ግብርኻ ዓብይን ግሩምን እዩ። ኣታ ንጉስ ኣህዛብ፡ መገድኻ ጽድቅን ሓቅን እዩ። ንስኻ በይንኻ ኢኻ ቅዱስ እሞ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ዘይፈርሃካን ንስምካ ዘየኽብርንከ መን ኣሎ፧ እቲ ቕኑዕ ፍርድኻ ተጋሂዱ እዩ እሞ፡ ስለዚ ዅሎም ኣህዛብ ክመጹ ኣብ ቅድሜኻውን ክሰግዱ እዮም፡ እናበሉ፡ መዝሙር ሙሴ፡ እቲ ባርያ ኣምላኽን፡ መዝሙር እቲ ገንሸልን ዘመሩ።
   5ድሕርዚ ድማ ርአኹ፡ እታ መቕደስ ድንኳን ምስክር ከኣ ኣብ ሰማይ ተኸፍተት። 6እቶም ሾብዓተ መዓት ዝሓዙ ሾብዓተ መላእኽቲ ኻብ ልሕጺ እንጣጢዕ እተገብረ፡ ባዕባዕ ዝብል ጽሩይ ክዳን ተከዲኖም፡ ኣብ ኣፍ ልቦምውን ቅናውቲ ወርቂ ተቐኒቶም፡ ካብ መቕደስ ወጹ። 7ሓደ ኻብቶም ኣርባዕተ እንስሳ ኸኣ ካብ ቍጥዓ እቲ ንዘለኣለመ ኣለም ዝነብር ኣምላኽ እተመልአ ሾብዓተ ጽዋእ ወርቂ ነቶም ሾብዓተ መላእኽቲ ሃቦም። 8እታ መቕደስ ድማ ካብቲ ናይ ኣምላኽ ግርማን ሓይልን ብትኪ መልአት። እተን ናይቶም ሾብዓተ መላእኽቲ ሾብዓቲአን መዓት ክሳዕ ዝውድኣስ፡ ሓደ እኳ ናብ መቕደስ ክኣቱ ኣይከኣለን።
        ራ. ዮሃንስ  ምዕራፍ 16
   1ካብታ መቕደስ ከኣ ነቶም ሾብዓተ መላእኽቲ፡ ኪዱ፡ ነቲ ናይ ቍጥዓ ኣምላኽ ሾብዓተ ጽዋእ ናብ ምድሪ ኣፍስስዎ፡ ዝብሎም ብርቱዕ ድምጺ ሰማዕኩ።
   2እቲ ቐዳማይ ከደ እሞ ጽዋኡ ናብ ምድሪ ኣፍሰሰ። ነቶም ማሕተም እቲ ኣራዊት ዘለዎምን ንምስሉ ዝሰገዱ ሰባት ከኣ ክፉእ ብርቱዕ ቍስሊ ወጾም።
   3እቲ ኻልኣይ ድማ ጽዋእ ናብ ባሕሪ ኣፍሰሰ። እቲ ባሕሪ ኸኣ ከም ናይ ምዉት ሰብ ዝመስል ደም ኰነ፡ ኣብቲ ባሕሪ ዝጸንሐ ትንፋስ ዘለዎ ዅሉ ህያው ድማ ሞተ።
   4እቲ ሳልሳይውን ጽዋእ ናብ ርባታትን ዔላታትን ኣፍሰሰ፡ ደም ከኣ ዀነ። 5እቲ መልኣኽ ማያት ድማ፡ ኣታ ቅዱስ፡ ዘሎኻን ዝነበርካን፡ እዚ ብምፍራድካ ጻድቕ ኢኻ፡ 6ደም ቅዱሳትን ደም ነብያትን ኣፍሲሶም እዮም እሞ፡ ንስኻ ድማ ክሰትዩ ደም ሃብካዮም፡ ዝግብኦምውን እዩ፡ ክብል ከሎ ሰማዕኩ። 7እቲ መሰውኢ ድማ፡ እወ፡ ኣታ ዅሉ እትኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ እቲ ፍርድታትካስ ሓቅን ቅንዕናን እዩ፡ ክብል ከሎ ሰማዕኩ።
   8እቲ ራብዓይ ከኣ ጽዋእ ኣብ ጸሓይ ኣፍሰሰ፡ ንእኣውን ንሰብ ብሓዊ ኸተንድድ ተዋህባ። 9እቶም ሰብ ድማ ብብርቱዕ ሃሩር ነደዱ፡ ንስም እቲ ኣብዘን መዓታት እዚአን ስልጣን ዘለዎ ኣምላኽ ከኣ ጸረፍዎ፡ ክብሪ ኽህብዎውን ኣይተነስሑን።
   10እቲ ሓምሳይ ከኣ ጽዋእ ኣብ ዝፋን እቲ ኣራዊት ኣፍሰሰ። እታ መንግስቱ ድማ ጸልመተት፡ ብሰሪ እቲ ስቓይውን ልሳውንቶም ሓየኹ። 11ብሰሪ እቲ ቓንዛኦምን ኣቝሳሎምን ከኣ ነቲ ኣምላኽ ሰማይ ጸረፍዎ፡ ካብ ግብሮምውን ኣይተነስሑን።
   12እቲ ሳድሳይውን ጽዋእ ኣብቲ ዓብዪ ርባ ኤፍራጥስ ኣፍሰሰ። ነቶም ካብ ምብራቕ ጸሓይ ዝመጹ ነገስታት ድማ መገዲ ምእንቲ ኽዳለወሎም፡ እቲ ማዩ ነጸፈ። 13ካብ ኣፍ እቲ ገበልን ካብ ኣፍ እቲ ኣራዊትን ካብ ኣፍ እቲ ነብዪ ሓሶትን ከኣ ቍርዖብ ዝመስሉ ሰለስተ ርኹሳት መናፍስቲ ኽወጹ ኸለዉ ርአኹ። 14እዚኣቶም ትእምርቲ እናገበሩ ንነገስታት ኵላ ዓለም በታ ዓባይ መዓልቲ ናይቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ንውግእ ክእክብዎም ዝወጹ ናይ ኣጋንንቲ መናፍስቲ እዮም። 15እንሆ፡ ከም ሰራቒ እመጽእ ኣሎኹ። ጥራዩ ምእንቲ ኸይከይድ ንሕፍረቱውን ከይርእይዎ፡ እቲ ዝነቅሕ ክዳኑውን ዝእርንብ ብጹእ እዩ። 16ንሳቶም ከኣ ናብቲ ብእብራይስጢ ኣርማጌዶን ዝብሃል ቦታ ኣከብዎም።
   17እቲ ሳብዓይውን ጽዋእ ኣብ ኣየር ኣፍሰሰ። ካብታ መቕደስ ካብቲ ዝፋን ከኣ፡ ኰይኑ፡ ዝብል ብርቱዕ ድምጺ ወጸ። 18በርቅታትን ደሃያትን ነጐዳታትን ድማ ዀነ። ከምኡ ዝበለ ኽንድዚ ዝኣክል ዓብዪ ምንቅጥቃጥ ምድርስ፡ ሰብ ኣብ ምድሪ ኻብ ዝፍጠር ከቶ ዘይኰነ ዓብዪ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዀነ። 19እታ ዓባይ ከተማ ኸኣ ኣብ ሰለስተ ኽፍሊ ተመቕለት ከተማታት ኣህዛብውን ወደቓ። እታ ዓባይ ባቢሎን ድማ ናይቲ ብርቱዕ ቍጥዓኡ ጽዋእ ወይኒ ኽህባ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተዘከረት። 20ብዘለዋ ደሴታት ሃደማ፡ ኣኽራንውን ኣይተረኽቡን። 21ኣስታት ሓደ መክሊት ዝምኽባዱ ገዚፍ በረድ ካብ ሰማይ ናብ ሰብ ወረደ። እቲ መዓት ኣዝዩ ኽፉእ ስለ ዝዀነ፡ እቶም ሰብ ብሰሪ እቲ መዓት በረድ ንኣምላኽ ጸረፍዎ።
        ራ. ዮሃንስ  ምዕራፍ 17
   1ካብቶም ሾብዓተ ጽዋእ ዝሓዙ ሾብዓተ መላእኽቲ ኸኣ ሓደ መጺኡ፡ ፍርዲ እታ ኣብ ብዙሕ ማያት ተቐሚጣ ዘላ ዓባይ ኣመንዝራ ኸርእየካስ፡ ንዓ ነጀው። 2ነገስታት ምድሪ ምስኣ መንዚሮም፡ ኣብ ምድሪ ዝነብሩውን ብወይኒ ምንዝርናኣ ሰኺሮም እናበለ ተዛረበኒ። 3ብመንፈስ ድማ ናብ በረኻ ወሰደኒ። ሾብዓተ ርእስን ዓሰርተ ቐርንን ኣብ ዘለዎ ስማት ጸርፊ ዝመልኦ ቐዪሕ ኣራዊት እተቐመጠት ሰበይቲ ርአኹ። 4እታ ሰበይቲ ኸኣ ቀዪሕ ግምጃን ቀዪሕ ውጹእ ክዳንን ተወንዚፋ፡ ብወርቅን ክቡር እምንን ኣዕናቝን ተሰሊማ ነበረት፡ ርኽሰት ምንዝርናኣ ዝመልአ ዘፈንፍን ጽዋእ ወርቂ ኣብ ኢዳ ሒዛ ነበረት። 5ኣብ ግምባራ ኸኣ ምስጢር እታ ዓባይ ባቢሎን፡ ኣደ ኣመናዝርን ኣደ ርኽሰት ምድርን፡ ዝብል ስም ጽሑፍ እዩ። 6እታ ሰበይቲ ኸኣ ብደም ቅዱሳትን ብደም እቶም ምስክር የሱስን ሰኺራ ርአኽዋ። ምስ ርአኽዋ ኸኣ ብርቱዕ ምግራም ተገረምኩ።
   7እቲ መልኣኽ ከኣ፡ ስለምንታይ ተገሪምካ፧ ምስጢር እታ ሰበይትን ምስጢር እቲ ጸዊርዋ ዘሎ ሾብዓተ ርእስን ዓሰርተ ቐርንን ዘለዎ ኣራዊትን ኣነ ኽነግረካ እየ፡ በለኒ። 8እቲ ዝርአኻዮ ኣራዊት ነበረ የሎን ከኣ፡ ካብ መዓሙቝ ድማ ክወጽእ ናብ ጥፍኣትውን ክኸይድ እዩ። ካብ ምስራት ዓለም ጀሚሩ ስሞም ኣብ መጽሓፍ ህይወት ዘይተጻሕፈ ኣብ ምድሪ ዝነብሩ፡ እቲ ኣራዊት ከም ዝነበረን ከም ዘየሎን ከም ዝመጽእን ምስ ረኣዩ፡ ክግረሙ እዮም። 9ጥበብ ዘለዋ ኣእምሮ ኣብዚ እያ ዘላ። እቶም ሾብዓተ ርእስስ እታ ሰበይቲ ተቐሚጣቶም ዘላ ሾብዓተ ኣኽራን እዮም፡ 10ሾብዓተ ነገስታት ከኣ እዮም፡ እቶም ሓሙሽተ ወዲቖም፡ እቲ ሓደ ኣሎ፡ እቲ ሓደ ገና ኣይመጸን፡ ምስ መጸ ድማ ቅሩብ ክነብር ይግብኦ እዩ። 11እቲ ዝነበረን ዘየሎን ኣራዊት፡ ንሱ ድማ ሳምናዮም እዩ፡ ካብቶም ሾብዓተ ኸኣ እዩ፡ ናብ ጥፍኣትውን ይኸይድ። 12እቶም ዝርአኻዮም ዓሰርተ ቐርኒ ድማ መንግስቲ ገና ዘይተቐበሉ ዓሰርተ ነገስታት እዮም። ግናኸ ምስቲ ኣራዊት ከም ነገስታት ኰይኖም፡ ንሓንቲ ሰዓት ምልኪ ዝቕበሉ እዮም። 13እዚኣቶም ሓደ ሓሳብ ኣለዎም፡ ሓይሎምን ስልጣኖምን ከኣ ነቲ ኣራዊት ክህብዎ እዮም። 14እዚኣቶም ምስቲ ገንሸል ክዋግኡ እዮም፡ እቲ ገንሸል ግና፡ ጐይታ ጐይተትን ንጉስ ነገስታትን እዩ እሞ ክስዕሮም እዩ። እቶም ምስኡ ዘለዉ ጽዉዓትን ሕሩያትን እሙናትን ድማ ክስዓሩ እዮም።
   15እታ ኣመንዝራ ተቐሚጣቶ ዝርአኻዮ ማያትሲ ኣህዛብን ብዙሕ ሰብን ህዝብታትን ቋንቋታትን እዮም። 16እቶም ዝርአኻዮም ዓሰርተ ቐርንን እቲ ኣራዊትን ከኣ ነታ ኣመንዝራ ኽጸልእዋን ከማስንዋን ጥራያ ኽገብርዋን ንስጋኣ ኽበልዑን ብሓዊውን ከንድድዋ እዮም። 17ማለት፡ ኣምላኽ፡ ሓሳቡ ኽገብሩን ሓደ ሓሳብ ክዀኑን፡ ቃል ኣምላኽ ክሳዕ ዝፍጸም ከኣ፡ መንግስቶም ነቲ ኣራዊት ክህብዎን ኣብ ልቦም ኣእትዩ ኣሎ። 18እታ ዝርአኻያ ሰበይቲ ድማ ኣብ ነገስታት ምድሪ መንግስቲ ዘለዋ ዓባይ ከተማ እያ።
        ራ. ዮሃንስ  ምዕራፍ 18
   1ድሕርዚ ኸኣ ዓብዪ ስልጣን ዘለዎ ኻልእ መልኣኽ ካብ ሰማይ ክወርድ ከሎ ርአኹ። ብኽብሩውን ምድሪ በርሄት። 2-3ንሱ ኸኣ፡ እታ ዓባይ ባቢሎን ወዲቓ፡ ወዲቓ፡ ማሕደር ኣጋንንትን ሰፈር ኵሎም ርኹሳት መናፍስትን፡ ሰፈር ርኹስን ዘፈንፍን ዘበለ ዅሉ ዑፍን ኰይና። ኵሎም ኣህዛብ ካብቲ ወይኒ ቝጥዓ ምንዝርናኣ ሰትዮም፡ ነገስታት ምድሪ ምስኣ መንዚሮም ነጋዶ ምድሪውን ብሓይሊ ጽጋባ ሃብቲሞም፡ እናበለ ብብርቱዕ ድምጺ ጨደረ።
   4-5ካብ ሰማይ ድማ ካልእ ድምጺ ሰማዕኩ፡ ከምዚ ዝብል፡ ኣቱም ህዝበይ፡ ሓጢኣታ ኽሳዕ ሰማይ ተጸፍጺፉ፡ ኣምላኽ ድማ ዓመጻኣ ዘኪሩ እዩ እሞ፡ ኣብቲ ሓጢኣታ ምእንቲ ኸይትጽምበሩ፡ ካብቲ መዓታውን ምእንቲ ኸይትካፈሉስ፡ ካብኣ ውጹ። 6ከምቲ ንሳ ዝፈደየትኩም ፍደይዋ፡ ከምቲ ግብራውን ዕጽፊ ዕጸፉላ። በቲ ዝቐድሓትሉ ጽዋእ ካዕበት ጌርኩም ቅድሑላ። 7ብልባ ንግስቲ ዀይነ እነብር፡ መበለት ኣይከውንን፡ ሓዘንውን ኣይክርእን እየ፡ ኢላ ኣላ እሞ፡ ክንዲ እቲ ንርእሳ ዘኽበረትን ዝሓንቀቐትን ጌርኩም፡ ክንድኡ ስቓይን ሓዘንን ሃብዋ። 8ስለዚ እቲ ፈሪድዋ ዘሎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ብርቱዕ እዩ እሞ፡ እቲ መዓታ፡ ሞትን ሓዘንን ጥሜትን፡ ብሓንቲ መዓልቲ ኽመጻ እዩ፡ ብሓዊውን ክትነድድ እያ። 9እቶም ምስኣ ዝመንዘሩን ዝሓንቀቑን ነገስታት ምድሪ ኸኣ፡ ትኪ ምንዳዳ ርእዮም፡ ክበኽዩላን ከልቅሱላን እዮም። 10ብሰሪ ፍርሃት ስቓያ ኣብ ርሑቕ ደው ኢሎም፡ ኣቲ ዓባይ ከተማ፡ ኣቲ ብርትዕቲ ኸተማ ባቢሎን፡ ወይለኺ፡ ወይለኺ፡ ፍርዲ ብሓንቲ ሰዓት መጺኡኪ ኣሎ፡ ክብሉ እዮም።
   11እቶም ነጋዶ ምድሪ ኸኣ፡ ደጊም ኣቓሑኦም ዝዕድገሎም የልቦን እሞ፡ ይበኽዩላን የልቅሱላን። 12ኣቓሑ ወርቅን ብሩርን ክቡር እምንን ሉልን ሻሽን ቀዪሕ ውጹእ ክዳንን ሃርን ቀዪሕ ግምጃን ቅዱይ መኣዛ ዘለዎ ዘበለ ዕጨይትን ኣቕሓ ስኒ ሓርማዝ ዘበለን ናይ ክቡር ዕጨይቲ ዘበለ ኣቕሓን ናይ ኣስራዝን ናይ ሓጺንን ናይ እምነ በረድን፡ 13ቃርፋን ቅብኢ ኣሞሙንን ዕጣንን ቅዱይ ቅብእን ከርበን ወይንን ዘይትን ድኹም ሓርጭን ስርናይን ከብትን ኣባጊዕን ኣፍራስን ሰረገላታትን ባሮትን ነፍሳት ሰብን። 14እቲ ነፍስኺ ዝበሃገቶ ፍረ ኻባኺ ሓሊፉ፡ ጥዑምን ድሙቕን ዘበለ ኻባኺ ጠፊኡ፡ ድሕሪ ደጊም ከኣ እዚ ከቶ ኣይክርከብን እዩ። 15-17እቶም በዚ እንዚ እናነገዱ ኣብኣ ዝሃብተሙ ነጋዶ ብፍርሃት ስቓያ ኣብ ማዕዶኣ ደው ኢሎም፡ ክንድዚ ዝኣክል ሃብትስ ብሓንቲ ሰዓት ጠፊኡ እዩ እሞ፡ እዛ ሻሽን ቀዪሕ ውጹእ ክዳንን ቀዪሕ ግምጃን እተኸድነት፡ ብወርቅን ክቡር እምንን ሉልን እተለበጠት ዓባይ ከተማ ወይለኣ፡ ወይለኣ፡ ኢሎም እናበኸዩ የልቅሱላ። ኵሎም ሓላቑ መራኽብን ብመራኽብ ነናብ ስፍራኦም ዝኸዱ ዘበሉ ባሕረኛታትን ኣብ ባሕሪ ዝዓዩ ዘበሉ ዅሎምን ድማ ኣብ ርሑቕ ቈሙ። 18ነቲ ትኪ ምንዳዳ ምስ ረኣይዎ ድማ፡ ነዛ ዓባይ ከተማ እዚኣስ መን እዩ ዝመስላ፥ እናበሉ ጨርሑ። 19ኣብ ርእሶምውን ሓመድ ነስነሱ፡ እናበኸዩን እናሓዘኑን ከኣ፡ እቶም መራኽብ ኣብ ባሕሪ ዘለዋኦም ኵሎም ብኽቡር ኣቓሑኣ ዝሃብተሙ፡ ብሓንቲ ሰዓት ዓንያ እያ እሞ፡ እዛ ዓባይ ከተማ ወይለኣ፡ ወይለኣ፡ እናበሉ ጨርሑ።
   20ኣታ ሰማይ፡ ብእኣ ተሓጐስ። ኣቱም ቅዱሳትን ሃዋርያትን ነብያትን፡ ኣምላኽ ኣብኣ ፍርድኹም ተፈድዩ እዩ እሞ፡ ብእኣ ተሓጐሱ።
   21ሓደ ብርቱዕ መልኣኽ ድማ ክንዲ ዓብዪ መጥሓን ዝኸውን እምኒ ኣልዒሉ ናብ ባሕሪ ደርበዮ፡ ከምዚ እናበለ፡ ባቢሎን፡ እታ ዓባይ ከተማ፡ ከምዚ ኢላ ብናህሪ ኽትድርበ፡ ደጊም ከኣ ከቶ ኣይክትርከብን እያ። 22ድምጺ ቓነይቲ መሰንቆን ናይ ደረፍትን ናይ ነፋሕቲ እምብልታን ናይ ሰብ መለኸትን ደጊም ኣባኺ ከቶ ኣይክስማዕን፡ ኵሉ ጥበብኛን ኢደ ጥበብን ደጊም ኣባኺ ከቶ ኣይኪርከብን፡ ድሕሪ ደጊምሲ ደሃይ መጥሓን ኣባኺ ከቶ ኣይኪስማዕን እዩ። 23ነጋዶኺ መኳንንቲ ምድሪ ነይሮም፡ ኵሎም ኣህዛብ ብጥንቍልናኺ ስሒቶም እዮም እሞ፡ ደጊም ኣባኺ ብርሃን ቀንዴል ከቶ ኣይኪበርህን እዩ፡ ድሪ ደጊምሲ ኣባኺ ድምጺ መርዓዊ ድምጺ መርዓትውን ከቶ ኣይክስማዕን እዩ። 24ደም ነብያትን ቅዱሳትን ናይቶም ኣብ ምድሪ እተሓርዱ ዘበሉን ኣብኣ ተረኺቡ፡ በለ።
        ራ. ዮሃንስ  ምዕራፍ 19
   1-2ድሕርዚ ኣብ ሰማይ ከም ናይ ብዙሕ ሰብ ዝበለ ብርቱዕ ድምጺ፡ ሃሌሉያ፡ ፍርዱ ሓቅን ጽድቅን ስለ ዝዀነ፡ ንሱ ናይታ ብምንዝርናኣ ንምድሪ ዘጥፍአት ዓባይ ኣመንዝራ ስለ ዝፈረዳ፡ ንደም ባሮቱውን ካብ ኢዳ ስለ እተፈድየ፡ ምድሓንን ክብርን ሓይልን ናይ ኣምላኽና እዩ፡ ክብል ከሎ ሰማዕኩ። 3ካልኣይ ግዜ ድማ፡ ሃሌሉያ፡ በሉ። ትካውን ንዘለኣለመ ኣለም ይወጽእ። 4እቶም ዕስራን ኣርባዕተን ሽማግሌታትን እቶም ኣርባዕተ እንስሳን ከኣ ነቲ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎ ኣምላኽ፡ ኣሜን፡ ሃሌሉያ፡ እናበሉ ፍግም ኢሎም ሰገዱሉ።
   5ካብቲ ዝፋንውን፡ ኣቱም እትፈርህዎ ናእሽቱን ዓበይትን ኵሉኹም ባሮቱ፡ ንኣምላኽና ወድስዎ፡ ዝብል ድምጺ ወጸ። 6-7ከም ድምጺ ብዙሕ ሰብን ከም ደሃይ ብዙሕ ማያትን ብርቱዕ ነጐዳታትን ዝበለ ኸኣ፡ እቲ ዅሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽና ነጊሱ እዩ እሞ፡ ሃሌሉያ። መርዓ እቲ ገንሸል በጺሑ፡ መርዓቱውን ተዳልያ እያ እሞ፡ ንተሓጐስ ባህ ድማ ይበለና፡ ንእኡውን ክብሪ ንሃብ፡ ክብል ከሎ ሰማዕኩ። 8ብን ዝበለ ጻዕዳ ሻሽን ጽሩይ ክዳንን ክትክደን ከኣ ተዋህባ። እቲ ሻሽ እቲ ድማ ጽድቂ እቶም ቅዱሳት እዩ። 9ንሱ ኸኣ፡ እቶም ናብ ድራር መርዓ እቲ ገንሸል እተዓደሙ ብጹኣን እዮም፡ ጽሓፍ፡ በለኒ። ንሱውን፡ እዚ እቲ ናይ ሓቂ ቓል ኣምላኽ እዩ፡ በለኒ። 10ኣነ ኸኣ፡ ክሰግደሉ ኢለ፡ ናብ ቅድሚ ኣእጋሩ ፍግም በልኩ። ንሱ ድማ፡ ከይትገብሮ ተጠንቀቕ። ምስክር የሱስ እቲ መንፈስ ትንቢት እዩ እሞ፡ ኣነስ ከማኻን ከምቶም ምስክር የሱስ ዝሕዙ ዘለዉ ኣሕዋትካን ባርያ እየ፡ ንኣምላኽ ደኣ ስገድ፡ በለኒ።
   11ሰማይ ከኣ ተኸፊቱ ርአኹ። እንሆ ድማ፡ ኣምበላይ ፈረስ፡ እቲ ተቐሚጥዎ ዘሎ ኸኣ እሙንን ሓቀኛን ይብሃል፡ ብጽድቂውን እዩ ዝዳንን ዝዋጋእን። 12ኣዒንቱ ኸም ሃልሃልታ ሓዊ እየን፡ ኣብ ርእሱውን ብዙሕ ዘውድታት ኣለዎ፡ ብጀካኡ ሓደ እኳ ዘይፈልጦ ጽሑፍ ስም ድማ ኣለዎ። 13ብደም እተዓለሰ ኽዳን ተወንዚፉ እዩ፡ ስሙውን ቃል ኣምላኽ እዩ። 14ኣብ ሰማይ ዘለዉ ሰራዊት ከኣ፡ ጻዕዳን ጽሩይን ሻሽ ተኸዲኖም፡ ኣብ ኣምበሌታት ኣፍራስ ተቐሚጦም ሰዓብዎ። 15ካብ ኣፉ ኸኣ ነህዛብ ዝወቕዓሉ በሊሕ ሰይፊ ይወጽእ። ንሱ ብበትሪ ሓጺን ክጓስዮም እዩ፡ ነቲ መጽመቝ ወይኒ ናይቲ ብርቱዕ ቍጥዓ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ከኣ ንሱ ይረግጾ። 16ኣብ ክዳኑን ኣብ ምሕኵልቱን ድማ፡ ንጉስ ነገስታት፡ ጐይታ ጐይተትውን፡ ዝብል ጽሑፍ ስም ኣለዎ።
   17-18ሓደ መልኣኽ ድማ ኣብ ጸሓይ ደው ኢሉ ርአኹ እሞ ነተን ኣብ ማእከል ሰማይ ዝነፍራ ዘለዋ ዅለን ኣዕዋፍ፡ ስጋ ነገስታትን ስጋ ሓለቓታትን ስጋ ሓያላትን ስጋ ኣፍራስን ናይቶም ተቐማጥኦም፡ ስጋ ዅሎም ጭዋታትን ባሮትን ናይ ናእሽቱን ዓበይትን ክትበልዓስ፡ ንዕኔ፡ ናብቲ ዓብዪ ናይ ጐይታ ድራር ተኣከባ፡ እናበለ ዓው ብዝበለ ድምጺ ጨደረ።
   19እቲ ኣራዊትን እቶም ነገስታት ምድርን ሰራዊቶምን ከኣ፡ ምስቲ ኣብ ፈረስ እተቐመጠን ምስቶም ሰራዊቱን ክዋግኡ ተኣኪቦም ርአኹ። 20እቲ ኣራዊት ተታሕዘ፡ እቲ ነቶም ማሕተም እቲ ኣራዊት እተቐበሉን ንምስሉ ዝሰገዱን ዘስሕቶም ትእምርቲ ኣብ ቅድሚኦም ዝገበረ ነብዪ ሓሶትውን ምስኡ ተታሕዘ፡ ንኽልቲኣቶም ብህይወቶም ከለዉ፡ ናብቲ ብዲን ዝነድድ ቀላይ ሓዊ ደርበይዎም። 21እቶም ዝተረፉ ድማ በቲ ኻብ ኣፍ እቲ ኣብ ፈረስ ተቐሚጡ ዘሎ ዝወጽእ ሰይፊ ተቐትሉ፡ ኵለን ኣዕዋፍውን ስጋኦም በሊዐን ጸገባ።
        ራ. ዮሃንስ  ምዕራፍ 20
   1መርሖ መዓሙቝን ሓደ ገዚፍ መቝሕን ኣብ ኢዱ ዝሓዘ መልኣኽ ድማ ካብ ሰማይ ክወርድ ከሎ ርአኹ። 2ንሱውን ነቲ ገበል፡ ነቲ ናይ ጥንቲ ተመን፡ ሓዞ፡ እዚ እቲ ድያብሎስን ሰይጣንን እዩ፡ ሽሕ ዓመትውን ኣሰሮ። 3እተን ሽሕ ዓመት ክሳዕ ዝፍጸማ ኸኣ፡ ናብ መዓሙቝ ደርበዮ። ድሕሪ ደጊም ነህዛብ ምእንቲ ኸየስሕቶም ኢሉውን፡ ዓጽዩ ኣብ ልዕሊኡ ሓተመ። ድሕርዚ ንቕሩብ ግዜ ኽፍታሕ ይግባእ እዩ። 4ዝፋናት ድማ ርአኹ፡ ኣባታቶም ከኣ ተቐመጡ፡ ፍርዲውን ተዋህቦም። ነፍሳት እቶም ምእንቲ ምስክር የሱስን ምእንቲ ቓል ኣምላኽን እተሰየፉ፡ ነቲ ኣራዊትን ንምስሉን ከኣ ዘይሰገዱ፡ ማሕተሙውን ኣብ ግምባሮም ወይስ ኣብ ኣእዳዎም ዘይተቐበሉ ድማ ርአኹ። እዚኣቶም ህያዋን ኰኑ እሞ ምስ ክርስቶስ ሽሕ ዓመት ነገሱ። 5እቶም ዝተረፉ ምዉታት ግና እተን ሽሕ ዓመት ክሳዕ ዝፍጸማ ህይወት ኣይረኸቡን። እዚ እቲ ቐዳማይ ትንስአ እዩ። 6ኣብቲ ቐዳማይ ትንሳአ ዕድል ዘለዎ ብጹእን ቅዱስን እዩ። ናይ ኣምላኽን ናይ ክርስቶስን ካህናት ክዀኑ፡ ምስኡውን ሽሕ ዓመት ክነግሱ እዮም እምበር፡ እቲ ኻልኣይ ሞት ኣብዚኣቶም ስልጣን የብሉን።
   7እተን ሽሕ ዓመት ምስ ተፈጸማ ኸኣ፡ ሰይጣን ካብ ማእሰርቱ ኽፍታሕ፡ 8እሞ ነቶም ኣብ ኣርባዕተ መኣዝን ምድሪ ዝነብሩ ኣህዛብ፡ ንጎግን ማጎግን ከስሕቶም፡ ንውግእውን ምእንቲ ኽእክቦም፡ ክወጽእ እዩ፡ ቍጽሮም ድማ ከም ሑጻ ባሕሪ እዩ። 9ኣብ ልዕሊ እቲ ግፍሒ ምድሪ ኸኣ ወጹ፡ ንሰፈር እቶም ቅዱሳትን ነታ ፍቅርቲ ኽተማን ድማ ከበቡ። ካብ ሰማይ ከኣ ሓዊ ወሪዱ በልዖም። 10እቲ ዘስሓቶም ድያብሎስውን ናብቲ እቲ ኣራዊትን እቲ ነብዪ ሓሶትን እተደርበይዎ ቐላይ ሓውን ዲንን ተደርበየ። ንዘለኣለመ ኣለም ከኣ ለይትን መዓልትን ክሳቐዩ እዮም።
   11ዓብዪ ጻዕዳ ዝፋንን እተቐመጦን ከኣ ርአኹ። ምድርን ሰማይን ካብ ገጹ ሃደሙ፡ ቦታውን ኣይተረኽበሎምን። 12ምዉታት ድማ፡ ዓበይትን ናእሽቱን፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ደው ኢሎም ርአኹ፡ መጻሕፍቲውን ተገንጸሉ። ካልእ መጽሓፍ ከኣ ተገንጸለ፡ እዚውን እቲ መጽሓፍ ህይወት እዩ። እቶም ምዉታት ድማ፡ ከምቲ ኣብቲ መጻሕፍቲ ዝጸንሐ፡ ከከም ግብሮም ተፈርዱ። 13ባሕሪ ድማ ነቶም ኣብኣ ዘለዉ ምዉታት ወፈየት፡ ሞትን ሲኦልንውን ኣባታቶም ዘለዉ ምዉታት ወፈዩ። ነፍሲ ወከፎም ከኣ ከከም ግብሮም ተፈርዱ። 14ሞትን ሲኦልንውን ናብቲ ቐላይ ሓዊ ተደርበዩ። እዚ እቲ ኻልኣይ ሞት እዩ፡ ማለት ቀላይ ሓዊ። 15ዝኰነ ይኹን ኣብ መጽሓፍ ህይወት ተጻሒፉ ዘይተረኽበ፡ ናብቲ ቐላይ ሓዊ ተደርበየ።
        ራ. ዮሃንስ  ምዕራፍ 21
   1እቲ ቐዳማይ ሰማይን እታ ቐዳመይቲ ምድርን ሓሊፎም፡ ባሕሪውን ደጊምሲ የልቦን እሞ፡ ሓድሽ ሰማይን ሓዳስ ምድርን ርአኹ። 2እታ ቅድስቲ ኸተማ፡ እታ ሓዳስ የሩሳሌም፡ ንመርዓዊኣ ኢላ ኸም እተሰለመት መርዓት ተዳልያ፡ ካብ ሰማይ ካብ ኣምላኽ ክትወርድ ከላ ርአኹ። 3ካብቲ ዝፋንውን ዓው ዝበለ ድምጺ፡ እንሆ ድንኳን ኣምላኽ ምስ ሰብ፡ ንሱውን ምሳታቶም ክነብር እዩ፡ ንሳቶም ከኣ ህዝቡ ክዀኑ እዮም፡ ኣምላኽውን ባዕሉ ምሳታቶምን ኣምላኾምን ክኸውን እዩ። 4ኣምላኽ ከኣ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ክደርዝ እዩ። እቲ ቐዳማይ ሓሊፉ እዩ እሞ፡ ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይክኸውንን፡ ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን፡ ወይ ጫውጫው፡ ወይ ጻዕሪ ኣይክኸውንን እዩ፡ ክብል ከሎ ሰማዕኩ። 5እቲ ኣብ ዝፋን እተቐመጠ ኸኣ፡ እንሆ፡ ንዅሉ እሕድሶ ኣሎኹ፡ በለ። እዚ ቓልዚ እሙንን ሓቅን እዩ እሞ፡ ጽሓፍ፡ በለኒ። 6ቀጺሉ ኸኣ፡ እዚ ኽዉን እዩ፡ ኣልፋን ኦሜጋን፡ መጀመርታን መወዳእታን ኣነ እየ። ኣነ ንዝጸምአ ካብ ዓይኒ ማይ ህይወት ብኸምኡ ኽህቦ እየ። 7እቲ ዝስዕር ነዚ ኽወርሶ እዩ። ኣነ ኣምላኹ ክዀኖ፡ ንሱውን ውሉደይ ክዀነኒ እዩ። 8እቶም ፈራሃትን ዘይኣምኑን ፍንፉናትን ቀተልቲ ነፍስን ኣመናዝርን ጠንቈልትን መምለኽቲ ጣኦትን ብዘለዉ ሓሰውትን ግና፡ ግዲኦም ኣብቲ ብሓውን ዲንን ዝነድድ ቀላይ እዩ፡ እዚ እቲ ኻልኣይ ሞት እዩ፡ በለኒ።
    9ካብቶም በተን ዳሕሮት መዓት ዝመልኣ ሾብዓተ ጽዋእ ዝሓዙ ሾብዓተ መላእኽቲ ኸኣ ሓደ መጸ እሞ፡ ነታ መርዓት፡ ሰበይቲ እቲ ገንሸል፡ ክርእየካስ ንዓ፡ እናበለ ተዛረበኒ። 10-11ብመንፈስ ድማ ናብ ዓብይን ነዊሕን ከረን ወሰደኒ፡ ነታ ኽብሪ ኣምላኽ ዘለዋ ቅድስቲ ኸተማ የሩሳሌም ካብ ሰማይ ካብ ኣምላኽ ክትወርድ ከላ ኸኣ ኣርኣየኒ። ምድማቕ ብርሃናውን ከም ኣዝዮ ዝኸበረ እምኒ፡ ከምቲ ዘንጸባርቕ እምኒ ያስጲስ እዩ ዝመስል። 10-11ዓብይን ነዊሕን ቀጽሪ ኸኣ ኣለዋ፡ ዓሰርተው ክልተ ደገ፡ ኣብቲ ደጌታትውን ዓሰርተው ክልተ መላእኽቲ፡ ስማት ድማ ተጻሒፉ ኣሎ፡ እዚ ስማት እዚውን ናይቶም ዓሰርተው ክልተ ነገድ ደቂ እስራኤል እዩ። 13ብምብራቕ ሰለስተ ደገ፡ ብሰሜን ሰለስተ ደገ፡ ብደቡብ ሰለስተ ደገ፡ ብምዕራብ ሰለስተ ደገ ኣሎ። 14ቀጽሪ እታ ኸተማ ኸኣ ዓሰርተው ክልተ መሰረት ኣለዎ፡ ኣብኡ ድማ ዓሰርተው ክልተ ስም ናይቶም ዓሰርተው ክልተ ሃዋርያት እቲ ገንሸል ኣሎ።
   15እቲ ዝዛረበኒ ኸኣ፡ ነታ ኸተማን ነቲ ደጌታታን ቀጽራን ምእንቲ ኽሰፍረሉ፡ መስፈሪ፡ ዘንጊ ወርቂ፡ ኣለዎ። 16እታ ኸተማ ኸኣ ኣርባዕተ ዝመኣዝና እያ፡ ምንዋሓውን ክንዲ እቲ ግፍሓ እዩ። በቲ ዘንጊ ድማ ነታ ኸተማ ዓሰርተው ክልተ ሽሕ እስታድዮስ ሰፈራ። ምንዋሓን ምግፋሓን ምብራኻን ማዕረ ማዕረ እዩ። 17ነቲ ቐጽራ ኸኣ ብእመት ሰብኣይ፡ ንሱ ድማ ናይ መልኣኽ፡ ሚእትን ኣርብዓን ኣርባዕተን እመት ኣመቶ። 18እቲ ቐጽራ ድማ ብያስጲስ እተነድቀ እዩ፡ እታ ኸተማውን ጽሩይ ወርቂ ኸም ጽሩይ መረጸን እያ እትመስል። 19መሰረታት ቀጽሪ እታ ኸተማ ኸኣ ብክቡር እምኒ ዘበለ ተሰሊሙ እዩ። እቲ ቐዳማይ መሰረት ያስጲስ እዩ፡ እቲ ኻልኣይ ሰፉሮስ፡ እቲ ሳልሳይ ከልቄዶን፡ እቲ ራብዓይ ስመራግዶስ፡ 20እቲ ሓምሳይ ሰርዶንክስ፡ እቲ ሳድሳይ ሰርድዮስ፡ እቲ ሳብዓይ ክሪሶሊት፡ እቲ ሳምናይ በሪሎስ፡ እቲ ታስዓይ ቶጳዝዮን፡ እቲ ዓስራይ ክሪሶጵራስ፡ እቲ መበል ዓሰርተው ሓደ ህያክንቶስ፡ እቲ መበል ዓሰርተው ክልተ ኣሜትስጦስ እዩ። 21እቲ ዓሰርተው ክልተ ደገ ኸኣ ዓሰርተው ክልተ ሉል እዩ። ነፍሲ ወከፍ ደገ ኻብ ሓደ ሉል እተገብረ እዩ። ኣደባባይ እታ ኸተማ ድማ ጽሩይ ወርቂ ኸም ጽሩይ መረጸን እዩ።
   22እቲ ዅሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽን እቲ ገንሸልን መቕደስ እዮም እሞ፡ መቕደስ ኣብኣ ኣይርአኹን። 23እታ ኸተማ ኸኣ ኽብሪ ኣምላኽ ኣብሪሁላ ኣሎ፡ መብራህታስ እቲ ገንሸል እዩ እሞ፡ ጸሓይ ወይስ ወርሒ ኸብርሃላ ኣየድልያን እዩ። 24ኣህዛብ ብብርሃና ኽመላለሱ፡ ነገስታት ምድሪውን ክብሮም ናብኣ ኸምጽኡ እዮም። 25ኣብኣ ለይቲ ኣይክኸውንን እዩ እሞ፡ ደጌታት ብመዓልቲ ከቶ ኣይክዕጾን እዩ። 26ነቲ ናይ ህዝብታት ክብረትን ክብርን ከኣ ናብኣ ኸምጽእዎ እዮም። 27እቶም ኣብቲ ናይቲ ገንሸል መጽሓፍ ህይወት እተጻሕፉ ደኣ እምበር፡ ገለ ርኽሰት ወይስ እቲ ዘፈንፍንን ሓሶትን ዝገብር ዘበለ ኸኣ ናብኣ ከቶ ኣይክኣቱን እዩ።
        ራ. ዮሃንስ  ምዕራፍ 22
   1ከም ክሪስታል ዝምጽራዩ ርባ ማይ ህይወት ከኣ ኣርኣየኒ፡ እዚ ኻብቲ ናይ ኣምላኽን ናይቲ ገንሸልን ዝፋን እናወጸ፡ 2ብማእከል እቲ ኣደባባይ ይውሕዝ። ነቲ ርባ ብኽልተ ጎቦኡ ድማ ኣብ ወወርሒ እናፈረየት ዓሰርተው ክልተ ፍረ እትህብ ኦም ህይወት ኣላ። ቈጽሊ እታ ኦም እቲኣ ኸኣ ፈውሲ ህዝብታት ኰይኑ ኣሎ። 3ድሕሪ ደጊምሲ መርገም ከቶ ኣይክኸውንን እዩ፡ ናይ ኣምላኽን ናይቲ ገንሸል ዝፋን ኣብኡ ክኸውን እዩ፡ እቶም ባሮቱውን ከገልግልዎ 4ገጹ ኽርእዩን እዮም፡ ስሙውን ኣብ ገግምባሮም ክኸውን እዩ። 5እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከብርሃሎም፡ ንዘለኣለም ኣለምውን ክነግሱ እዮም እሞ፡ ድሕሪ ደጊምሲ ለይቲ ኣይክኸውንን፡ ብርሃን ቀንዴልን ብርሃን ጸሓይንውን ኣይከድልዮምን እዩ።
   6ንሱ ኸኣ፡ እዚ ቓላት እዚ እሙንን ሓቅን እዩ፡ እግዚኣብሄር፡ እቲ ኣምላኽ መናፍስቲ ነብያት፡ እቲ ቐልጢፉ ክኸውን ዝግባእ ነገር ንባሮቱ ኸርእዮም፡ መልኣኹ ሰዲዱ ኣሎ። 7እንሆ፡ ቀልጢፈ እመጽእ ኣሎኹ፡ እቲ ንቓላት ትንቢት እዚ መጽሓፍ እዚ ዝሕሉ ኸኣ ብጹእ እዩ፡ በለኒ።
   8ነዚ ነገር እዚ ዝሰማዕክዎን ዝርአኽዎን ኣነ ዮሃንስ እየ። ምስ ሰማዕኩን ምስ ርአኩን ከኣ፡ ኣብ ቅድሚ ኣእጋር እቲ ነዚ ነገር እዚ ዘርኣየኒ መልኣኽ ክሰግድ ፍግም በልኩ። 9ንሱ ኸኣ፡ ከይትገብሮ ተጠንቀቕ። ኣነስ ከማኻን ከምቶም ኣሕዋትካ ነብያትን፡ ከምቶም ንቓላት እዚ መጽሓፍ እዚ ዝሕልዉን ባርያ እየ፡ ንኣምላኽ ደኣ ስገድ፡ በለኒ።
   10ድማ፡ እቲ ግዜ ቐረባ እዩ እሞ፡ ንቓል ትንቢት እዚ መጽሓፍ እዚ ኣይትሕተሞ። 11እቲ ገፋዒ ኣዝዩ ይግፋዕ፡ እቲ ርኹስ ኣዝዩ ይርከስ፡ እቲ ጻድቕ ኣዝዩ ጽድቂ ይግበር፡ እቲ ቅዱስውን ኣዝዩ ይቀደስ፡ በለኒ። 12እንሆ፡ ቀልጢፈ እመጽእ ኣሎኹ፡ ንነፍሲ ወከፍ ከከም ግብሩ ኽፈድዮ ኸኣ፡ ዓስበይ ምሳይ እዩ። 13ኣልፋን ኦሜጋን፡ ቀዳማይን ዳሕራይን፡ መጀመርታን መወዳእታን ኣነ እየ። 14ኣብታ ኦም ህይወት መሰል ምእንቲ ክረኽቡ፡ ናብታ ኸተማውን ብደጌታታ ምእንቲ ክኣትዉስ፡ እቶም ክዳውንቶም ዝሓጸቡ ብጹኣን እዮም። 15እቶም ኣኽላባትን ጠንቈልትን ኣመናዝራታትን ቀተልትን መምለኽቲ ጣኦትን ንሓሶት ዝፈትዉዎን ዝገብርዎን ዘበሉ ዅሎም ግና ኣብ ወጻኢ እዮም።
   16ኣነ የሱስ፡ ኣብተን ማሕበራት እዚ ነገር እዚ ኽምስክረልኩም ኢለ፡ ንመልኣኸይ ሰዲደዮ ኣሎኹ። ኣነ ሱር ዳዊትን ዘርኡን፡ እቲ ብሩህ ኰዀብ ጽባሕ እየ፡
   17እቲ መንፈስን እታ መርዓትን፡ ንዓ፡ ይብሉ ኣለዉ። እቲ ዝሰምዕውን፡ ንዓ፡ ይበል። ዝጸምአ ኸኣ ይምጻእ፡ ዝደለየውን ማይ ህይወት ብኸምኡ ይውሰድ።
   18ኣነ ቓላት ትንቢት እዚ መጽሓፍ እዚ ንዝሰምዑ ዅሎም እምስክረሎም ኣሎኹ፡ ሓደ እኳ ናብዚ እንተ ወሰኸ፡ ኣምላኽ ከኣ ኣብዚ መጽሓፍ እዚ ተጻሒፉ ዘሎ መዓት ክውስኸሉ እዩ። 19ሓደ ሰብ ከኣ ካብ ቃላት እዚ ትንቢት እዚ እንተ ኣጕደለ፡ ኣምላኽ ካብተን ኣብዚ መጽሓፍ እዚ ተጻሒፈን ዘለዋ ኦም ህይወትን እታ ቕድስቲ ኽተማን ግዲኡ ኸጕድለሉ እዩ።
   20እቲ ነዚ ነገርዚ ዝምስክር፡ እወ፡ ቀልጢፈ እመጽእ ኣሎኹ፡ ይብል ኣሎ። ኣሜን፡ ጐይታና የሱስ፡ ንዓ።
   21ጸጋ ጐይታና የሱስ ምስ ኵላትኩም ቅዱሳት ይኹን። ኣሜን።

Leave a Reply

መጽሓፍ ቅዱስ ትግርኛ
ብሉይን ሓድሽን ኪዳን
ብሉይ ኪዳን
ሓድሽ ኪዳን
መጽሓፍ ቅዱስ ትግርኛ
ብሉይን ሓድሽን ኪዳን

ብሉይ ኪዳን

ሓድሽ ኪዳን