1ይቲ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቈረንቶስ
1 2 3 4 5 6 7
8 9 10 11 12
13 14 15
16
1ይ ቈረንቶስ ምዕራፍ 1
1ጳውሎስ ብፍቓድ ኣምላኽ ሃዋሪያ የሱስ ክርስቶስ ክኸውን እተጸውዐ፡ ሶስቴኔስ ከኣ ሓውና፡ 2ነታ ኣብ ቈረንቶስ ዘላ ማሕበር ኣምላኽ፡ ብክርስቶስ የሱስ እተቐደሱ፡ ቅዱሳን ንምዃን እተጸውዑ፡ ኣብ ኲሉ ስፍራ፡ ኣብኦምን ኣባናን፡ ስም ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምስ ዝጸውዑ ዘበሉ ዂላቶም፡ 3ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ካብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ንኣኻትኩም ይኹን።
4-6ኣነ፡ ከምቲ ምስክር ክርስቶስ ኣባኻትኩም ዝጸንዐ፡ ስለቲ ብክርስቶስ የሱስ እተዋህበኩም ጸጋ ኣምላኽ ብዂሉ ቓልን ብዂሉ ፍልጠትን ብዂሉ ብእኡ ስለ ዝሃብተምኩም፡ ኲሉ ሳዕ ብዛዕባኹም ንኣምላኸይ አመስግን ኣሎኹ። 7ምግሃድ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ እናተጸቤኹም፡ ብሓደ ውህበት ጸጋ እኳ ኸይጐደልኩም፡ 8ንሱ ድማ፡ ብመዓልቲ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ብዘይ እንታ ኽትኰኑ፡ ክሳዕ መወዳእታ ኸጽንዓኩም እዩ። 9እቲ ናብ ሕብረት ወዱ የሱስ ክርስቶስ ጐይታና ዝጸውዓኩም ኣምላኽ እሙን እዩ።
10-12ግናኸ፡ ኣሕዋተየ፡ ኣባኻትኩም ክርክር ከም ዘሎስ፡ ብዛዕባኹም ሰብ ቤት ቀሎኤ ነጊሮምኒ ኣለዉ፡ እዚ ማለት፡ ነፍሲ ወከፍኩም፡ ኣነ ናይ ጳውሎስ እየ፡ ኣነስ እባ ናይ ኣጵሎስ፡ ኣነ ናይ ኬፋ፡ ኣነስ ናይ ክርስቶስ እየ፡ ከም እትብሉ፡ እዚ እየ ዝብል ዘሎኹ። ኣሕዋተየ፡ ኲላትኩም ሓደ ዘረባ ኽትዛረቡ፡ ብሓደ ልብን ብሓደ ሓሳብን ፍጹም ክትጋጠሙ እምበር፡ ምፍልላይ ከይህልወኩም፡ እምዕደኩም ኣሎኹ። 13ክርስቶስዶ ተመቒሉ እዩ፧ ወይስ ጳውሎስዶ ተሰቂሉልኩም እዩ፧ ወይስ ብስም ጳውሎስ ዲኹም እተጠመቕኩም፧ 14-15ሓደ እኳ ብስመይ ከም እተጠመቕኩም ከይብል፡ ብዘይ ክሪስጶስን ገይዮስን ንሓደ ኻባኻትኩም እኳ ስለ ዘየጥመቕኩ ንኣምላኽ አመስግኖ ኣሎኹ። 16ስድራ ቤት እስጢፋኖስውን ኣጥሚቐ ኣሎኹ፡ ብዘይ እዚኣቶም ሓደ ኻልእ ከም ዘጥመቕኩ፡ ኣይፈልጥን እየ። 17እቲ መስቀል ክርስቶስ ከንቱ ምእንቲ ኸይከውን፡ ብጥበብ ዘረባ ኸይግበር፡ ክርስቶስ ወንጌል ክሰብኽ ደኣ እምበር፡ ከጥምቕሲ ኣይለኣኸንን።
18-19ጥበብ ጠቢባን ከጥፍእ እየ፡ ምስትውዓል እቶም ኣስተውዓልቲውን ከፍርስ እየ፡ ዝብል ጽሑፍ እዩ እሞ፡ ቃል መስቀል ነቶም ዝጠፍኡ ዕሽነት እዩ፡ ንኣና ንንድሕን ግና ሓይሊ ኣምላኽ እዩ። 20ጥበበኛ ኣበይ ኣሎ፧ ምሁር ጽሑፋትሲ ኣበይ ኣሎ፧ መርማሪ እዛ ዓለም እዚኣኸ ኣበይ ኣሎ፧ ኣምላኽ ንጥበብ እዛ ዓለም እዚኣዶ ዕሽነት ኣይገበሮን እዩ፧ 21ስለዚ ዓለም ብጥበባ ንኣምላኽ ብጥበብ ኣምላኽ ገይራ ኻብ ዘይፈለጠቶ፡ ኣምላኽ ነቶም ዝኣምኑ ብናይ ስብከት ዕሽነት ገይሩ ከድሕኖም ፈቐደ። 22ኣይሁድ ምልክታት ይልምኑ፡ ጽርኣውያን ድማ ጥበብ ይደልዩ፡ 23ንሕና ግና ነቲ ንኣይሁድን መዓንቀፊ፡ ነህዛብን ዕሽነት ዝዀነ እተሰቕለ ክርስቶስ ንሰብኽ ኣሎና። 24ንሱ ነቶም ጽዉዓት፡ ንኣይሁድ ኰነ፡ ንጽርኣውያን ኰነ፡ ክርስቶስ፡ እቲ ሓይሊ ኣምላኽን ጥበብ ኣምላኽን እዩ። 25ካብ ሰብሲ ዕሽነት ኣምላኽ ይጠብብ፡ ካብ ሰብ ከኣ ድኻም ኣምላኽ ይብርትዕ።
26ኣሕዋተየ፡ ኣብቲ ጽውዓኹም እማ ተመልከቱ ብዙሓት ብስጋ ለባማት፡ ብዙሓት ስልጡናት፡ ብዙሓት ጭዋታት ኣይተጸውዑን። 27ኣምላኽ ግና፡ ነቶም ጠቢባን ምእንቲ ኸሕፍርሲ፡ ንዕሽነት እዛ ዓለም እዚኣ ሓረየ፡ ነቶም ብርቱዓት ምእንቲ ኸሕፍር ከኣ፡ ኣምላኽ ነቲ ድኻም እዛ ዓለም እዚኣ ሓረየ። 28-29ስጋ ዘበለ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ምእንቲ ኸይምካሕውን፡ ኣምላኽ ነቲ፡ ኣነ ገለ እየ፡ ዝብል ከንቱ ምእንቲ ኽገብር፡ ነቲ ብዓለም ሕሱርን ንዑቕን ገለ ዘይኰነን ሓረየ። 30-31ግናኸ እቲ ጽሑፍ፡ ዝምካሕ ብእግዚኣብሄር ይመካሕ፡ ዝብሎ ምእንቲ ኽፍጸም፡ ንስኻትኩም ካብኡ ኣብቲ ኻብ ኣምላኽ ንጥበብን ጽድቅን ምቕዳስን ምድሓንን ዝዀነልና ክርስቶስ የሱስ ኢኹም።
1ይ ቈረንቶስ ምዕራፍ 2
1-2ኣሕዋተየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ማእከልኩም ከሎኹ፡ ብዘይ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሱ ኸኣ እቲ እተሰቕለ፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይፈልጥ መደብኩ እሞ፡ ናባኻትኩም ከመጽእ ከሎኹ፡ ምስክር ኣምላኽ ብብሉጽ ዘረባ ወይስ ብጥበብ ክነግረኩም ኣይመጻእኩን። 3ኣነ ኸኣ ብድኻምን ብፍርሃትን ብብዙሕ ምምብድባድን እየ ኣባኻትኩም ዝነበርኩ። 4-5እምነትኩም ብስልጣን ኣምላኽ እምበር፡ ብጥበብ ሰብ ምእንቲ ኸይትስረትሲ፡ ዘረባይን ስብከተይን ድማ ብምርዳእ መንፈስን ስልጣንን እምበር፡ ብዘስድዕ ዘረባ ጥበብ ኣይነበረን።
6-7እምብኣርስ ኣብ ማእከል እቶም እኹላት ጥበብ ንዛረብ ኢና፡ እቲ ኣምላኽ ቅድሚ ዘመናት ንኽብረትና ዘዳለዎ፡ እቲ ናይ ኣምላኽ ሕቡእ ምስጢር ጥበብ ኢና እንዛረብ ዘሎና እምበር፡ ጥበብ እዛ ዓለም እዚኣ ወይስ ናይቶም ዝሓልፉ ገዛእቲ እዛ ዓለም እዚኣ ኣይንዛረብን ኢና። 8ካብ ገዛእቲ እዛ ዓለም እዚኣ ሓደ እኳ ነዚ ጥበብዚ ኣይፈለጦን፡ እንተ ዝፈልጥዎስ፡ ንጐይታ ኽብሪ ኣይምሰቐልዎን ነይሮም። 9ግናኸ ከምቲ ጽሑፍ፡ እቲ ዓይኒ ዘይረኣየቶ እዝኒ ኸኣ ዘይሰምዓቶ ኣብ ልቢ ሰብ ድማ ዘይተሓስበ፡ ኣምላኽ ነቶም ዘፍቅርዎ ኣዳለወሎም፡ ዝብል፡ 10እቲ መንፈስ ግና መዓሙቑ ኣምላኽ እኳ ኸይተረፈ ንዂሉ ይምርምር እዩ እሞ፡ ንኣና ኣምላኽ ብመንፈሱ ገይሩ ገለጸልና። 11እቲ ኣብኡ ዘሎ መንፈስ እንተ ዘይኰይኑስ፡ ኣብ ሰብ ዘሎ ነገር ዝፈልጥከ እንታዋይ ሰብ እዩ፧ ከምኡውን መንፈስ ኣምላኽ እንተ ዘይኰይኑስ፡ ነቲ ኣብ ኣምላኽ ዘሎ ሓደ እኳ ዝፈልጦ የልቦን። 12ንሕና ግና፡ እቲ ብኣምላኽ እተዋህበና ምእንቲ ኽንፈልጥሲ፡ ነቲ ኻብ ኣምላኽ ዝኸውን መንፈስ እምበር፡ መንፈስ ዓለም ኣይተቐበልናን። 13ንሕና ኸኣ መንፈሳዊ ነገር ምስ መንፈሳዊ እናኣሰማማዕና፡ መንፈስ ቅዱስ ብዝምህረሉ ቓል እምበር፡ ጥበብ ሰብ ብዝምህረሉ ቓል ኣይኰንናን እንዛረብ ዘሎና። 14እቲ ስጋዊ ሰብ ነቲ ኣብ መንፈስ ኣምላኽ ዘሎ ኣይቅበሎን፡ ብመንፈስ ዝምርመር ስለ ዝዀነ፡ ንእኡ ዕሽነት እዩ እሞ፡ ከስተውዕሎ ኣይከኣሎን እዩ። 15-16ንእግዚኣብሄር ክምህሮ ኢሉ፡ ሓሳቡ ዝፈለጠኸ እንታዋይ እዩ፧ ንሕና ግና ሓሳብ ክርስቶስ ኣሎና። እምብኣርሲ እቲ መንፈሳዊ ንዂሉ ይምርምር፡ ንሱ ግና ብሓደ እኳ ኣይምርመርን እዩ።
1ይ ቈረንቶስ ምዕራፍ 3
1ኣሕዋተየ፡ ኣነ ኸኣ ከም ንስጋውያን፡ ከም ንቘልዑ ብክርስቶስ እምበር፡ ከም ንመንፈሳውያን ክዛረበኩም ኣይኰነለይን እዩ። 2-3ገና ስጋውያን ስለ ዝዀንኩም፡ ጸባ መገብኩኹም፡ ዕጽም ብልዒ ኣይኰነን። ገና ኣይከኣልኩምዎን፡ ሕጂ እኳ ኣይትኽእልዎን ኢኹም። ቅንኣት ባእስን ካብ ዝህልወኩምሲ፡ ስጋውያን ምዃንኩምዶ ኣይኰነን፧ ከም ባህሊ ሰብዶ ትኸዱ ኣየለኹምን፧ 4እቲ ሓደ፡ ኣነስ ናይ ጳውሎስ እየ፡ ሓደ ኻልእ ከኣ፡ ኣነስባ ናይ ኣጵሎስ እየ፡ ካብ ዝብል፡ ስጋውያን ምዃንኩምዶ ኣይኰነን፧ 5እምብኣርከ፡ ኣጵሎስ እንታይ እዩ፧ ጳውሎስሲ እንታይ እዩ፧ ብኣታቶም ጌርኩም ናብ እምነት ዝበጻሕኩም ኣገልገልቲ እዮም፡ እዚ ድማ እግዚኣብሄር ንነፍሲ ወከፎም ከም ዝሃቦ እዩ። 6ኣነ ተኸልኩ ኣጵሎስ ኣስተየ፡ ኣምላኽ ግና ኣብቈለ። 7እምብኣርሲ እቲ ዘብቁል ኣምላኽ ደኣ እዩ እምበር፡ እቲ ዝተክል ወይስ እቲ ዘስቲ ዝዓብሱ የብሎምን። 8እቲ ዝተክልን እቲ ዘስትን ሓደ እዮም፡ ነፍሲ ወከፎም ከኣ ከከም ጻዕሩ ዓስቡ ክቕበል እዩ። 9ንሕና መዓይይቲ ኣምላኽ ኢና እሞ፡ ንስኻትኩም ግራት ኣምላኽ፡ ህንጻ ኣምላኽ ኢኹም።
10-11ብዘይ እቲ ስሩት መሰረት፡ ንሱ ኸኣ የሱስ ክርስቶስ፡ ካልእ መሰረት ሓደ እኳ ኽስርት ዝኽእል የልቦን እሞ፡ ኣነ ኸምቲ እተዋህበኒ ጸጋ ኣምላኽ ብልሓተኛ ሃናጺ ዀይነ ነቲ መሰረት ሰረትኩ፡ ሓደ ኻልእ ከኣ ኣብ ልዕሊኡ ይሃንጽ። ነፍሲ ወከፍውን ከመይ ገይሩ ኸም ዝሃንጽ ይጠንቀቕ። 12ሓደ እኳ ኣብ ልዕሊ እዛ መሰረት እዚኣ ወርቂ፡ ብሩር፡ ክቡር እምኒ፡ ዕንጨይቲ፡ ሳዕሪ ወይስ ሓሰር እንተ ሰርሐ፡ 13እታ መዓልቲ እቲኣ ብሓዊ ኽትግለጽ እያ እሞ፡ ክትቀልዖ እያ። ግብሪ ነፍሲ ወከፍ ክግሃድ እዩ፡ ንግብሪ ነፍሲ ወከፍ ከኣ ከመይ ምዃኑ እቲ ሓዊ ኽፍትኖ እዩ። 14ሰብ፡ እቲ ኣብ ልዕሊኡ እተሃንጸ ዕዮ እንተ ጸንዓሉ፡ ዓስቢ ክቕበል እዩ። 15እቲ ዕዮኡ እንተ ነደደ ግና፡ ዓስቡ ኽስእን እዩ። ንርእሱ ግና ክድሕን፡ ግናኸ ከምቲ ሓዊ ሓሊፉ ዝደሓነ እዩ።
16ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ምዃንኩምን መንፈስ ኣምላኽ ኣባኻትኩም ሓዲሩ ምህላዉንዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ 17ሓደ እኳ ነታ ቤት መቕደስ ኣምላኽ እንተ ኣማሰነ፡ ኣምላኽ ከማስኖ እዩ። ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ቅድስቲ እያ፡ እዛ ቤት መቕደስ እዚኣውን ንስኻትኩም ኢኹም።
18-20ሓደ እኳ ንርእሱ ኣይጠብራ። ነቶም ጥበበኛታት ብጒርሖም ይሕዞም እዩ፡ ዝብል ጽሑፍ እዩ እሞ፡ ከም ብሓድሽ፡ እግዚኣብሄር ሓሳብ እቶም ጥበበኛታት ከንቱ ምዃኑ ይፈልጦ፡ ዝብል ጽሑፍ ኣሎ። ጥበብ እዛ ዓለም እዚኣ ኣብ ኣምላኽ ዕሽነት እያ እሞ፡ ገለ ኻባኻትኩም ኣብዛ ዓለም እዚኣ ጥበበኛ ኸም ዝዀነ እንተ መሰሎ፡ ጥበበኛ ምእንቲ ክኸውንሲ ዓሻ ይኹን። 21-22ጳውሎስ ወይ ኣጵሎስ፡ ኬፋ ዀነ ዓለም ኰነት፡ ህይወት ኰነት ሞት ኰነ፡ ዘሎ ዀነ ወይ ዝመጽእ፡ ኲሉ ናታትኩም እዩ እሞ፡ ሓደ እኳ ብሰብ ኣይመካሕ። 23ንስኻትኩምሲ ናይ ክርስቶስ ደኣ ኢኹም፡ ክርስቶስውን ናይ ኣምላኽ እዩ።
1ይ ቈረንቶስ ምዕራፍ 4
1ከምኡኸ ሰብ ንኣና ኸም ኣገልገልቲ ክርስቶስን ከም መገብቲ ምስጢር ኣምላኽን ደኣ ይቝጸሩና። 2ምስናይ እዚ ኻብ መገብቲ ነፍሲ ወከፍ እሙን ኰይኑ ክርከብ የድሊ እዩ። 3-4ንኣይሲ ብኣኻትኩም ወይስ ብመዓልቲ ፍርዲ ሰብ እንተ ተፈረድኩ እኳ፡ ግዲ የብለይን። ኣብ ርእሰይ ሓንቲ እኳ ኣይፈልጥን እየ፡ ዝፈርደኒ ግና ኣምላኽ እዩ እምበር፡ በዚ ኣይጸደቕኩን እሞ ንርእሰይ ባዕለይ ኣይፈርዳን እየ። 5ስለዚ እቲ ኣብ ጸልማት እተሓብአ ናብ ብርሃን ዘምጽእ፡ ሓሳባት ልቢ ኸኣ ዝገልጽ ጐይታ ኽሳዕ ዝመጽእ፡ ቅድሚ ጊዚኡ ሓንቲ እኳ ኣይትፍረዱ። ሽዑ ድማ ነፍሲ ወከፍ ነንእዶኡ ኻብ ኣምላኽ ክቕበል እዩ።
6ኣሕዋተየ፡ ንጥቕሚ እቲ ሓደ፡ ንጒድኣት እቲ ኻልእ ኢልኩም ከይትንፍሑ፡ ክንየው እቲ ጽሑፍ ከይትሓስቡ፡ ብኣና ምእንቲ ኽትምሃሩ፡ እዚ ብዛዕባኹም ኣብ ርእሰይን ኣብ ኣጵሎስን መሲለዮ ኣሎኹ። 7ካብ ካልኦት ዘብለጸካ መን እዩ፧ ዘይተቐበልካዮኸ እንታይ ኣሎካ፧ ተቐቢልካ ኻብ እትኸውን ግና፡ ስለምንታይ ከም ዘይተቐበልካ ዄንካ እትኽበር፧ 8ድሮ ጸገብኩም፡ ድሮ ሃብተምኩም፡ ብጀካና ነገስኩም። ንሕናውን ምሳኻትኩም፡ ምእንቲ ኽንነግስሲ፡ ወሸለ ምነገስኩም። 9ኣምላኽ ንኣና ሃዋርያት፡ ድሕሪ ዂላቶም ኴንና፡ ከምቶም ሞት እተፈርዶም ከም ዝገበረና፡ ይመስለኒ። ስለዚ ንዓለምን ንመላእኽትን ንሰብን ትርኢት መስሓቒ ዄንና ኣሎና። 10ንሕና ስለ ክርስቶስ ዓያሱ ኢና፡ ንስኻትኩም ግና ብክርስቶስ ጥበበኛታት ኢኹም፡ ንሕና ሕማቓት፡ ንስኻትኩም ግና ሓያላት፡ ንስኻትኩም ክቡራት፡ ንሕና ግና ሕሱራት ኢና። 11ክሳዕ ሕጂ ንጠምን ንጸምእን ንዓርቕን ንጽፋዕን ኣሎና፡ ማሕደር የብልናን፡ 12ብገዛእ ኣእዳውና እናዓየና ድማ ንጽዕር ኣሎና። እናጸረፉና ንምርቕ፡ እናሰጐጉና ንዕገስ፡ 13እናተሓሜና ንምዕድ ኣሎና። ክሳዕ ሕጂ ኸም ጐሓፍ ዓለምን ከም ናይ ኲላቶም ጐዱፍን ኴንና ኣሎና።
14-15ብክርስቶስ ኣእላፋት መዕበይቲ እኳ እንተ ኣለዉኹም፡ ኣነ ብክርስቶስ የሱስ ብወንጌል ወሊደኩም እየ እሞ፡ ብዙሓት ኣቦታትሲ የብልኩምን። እዚ ዝጽሕፈልኩም ዘሎኹ፡ ከም ፍቁራት ደቀይ ገይረ ኽምዕደኩም እየ እምበር፡ ከሕፍረትኩም ኢለ ኣይኰንኩን። 16ስለዚ፡ ሰዓብተይ ኩኑ፡ ኢለ እምዕደኩም ኣሎኹ። 17በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኣብ ኲሉ ስፍራ ፍቕዳ ማሕበር ከመይ ገይረ ኸም ዝምህር፡ መገደይ ብክርስቶስ የሱስ ምእንቲ ከዘክረኩም፡ እቲ ብጐይታ ፍቁርን እሙንን ወደይ ጢሞቴዎስ ሰዲደልኩም ኣሎኹ። 18ሓያሎ ግና፡ ኣነ ናባኻትኩም ዘይመጽእ መሲልዎም፡ እተነፍሑ ኣለዉ። 19-20መንግስቲ ኣምላኽ ብሓይሊ እምበር፡ ብዘረባ ኣይኰነትን ዘላ እሞ፡ ጐይታ እንተ ፈቐዶስ፡ ቀልጢፈ ናባኻትኩም ክመጽእ እየ፡ ሽዑ ሓይሊ እቶም ንፉሓት ክፈልጥ እየ እምበር፡ ቃሎም ኣይኰነን። 21ብበትሪዶ ወይስ ብፍቕርን ብመንፈስ ለውሃትን ክመጻኩም፧ እንታይ ትደልዩ፧
1ይ ቈረንቶስ ምዕራፍ 5
1ምንዝርና ብሱሩ፡ ከምኡ ዘመሰለ ምንዝርናስ ኣብቶም ኣህዛብ እኳ ዘልቦ፡ ማለት፡ ሓደ ኻባኻትኩም ነታ ሰበይቲ ኣቦኡ ኸም ዘእተወ፡ ይውረየኩም ኣሎ። 2ምስናይዚ ኸኣ ተነፊሕኩም ኣሎኹም እሞ፡ እቲ እዚ ግብርዚ ዝገበረ ኻብ ማእከልኩም ምእንቲ ክርሕቕ ኢልኩም፡ ከቶ ኣይጒሄኹምን። 3-5ኣነ ግና ብስጋይ ርሑቕ ክነሰይ፡ ብመንፈሰይ ምሳኻትኩም እየ፡ ንስኻትኩምን መንፈሰይን ብስም ጐይታና የሱስ ተኣኪብና ኸሎና፡ ብሓይሊ ጐይታና የሱስ እዚ ኸምዚ ዝገበረ፡ መንፈሱ በታ መዓልቲ ጐይታና የሱስ ምእንቲ ኽድሕንሲ፡ ንጥፍኣት ስጋኡ ንሰይጣን ክውሃብ፡ ከም ምሳኻትኩም ኰይነ ድሮ ፈሪደ ኣሎኹ። 6ሓበንኩም ጽቡቕ ኣይኰነን። ቅሩብ ማይ ብሑቝ ንብዘሎ እቲ ብሑቝ ከም ዘብኲዖዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ 7ገንሸል ፋስጋና፡ ማለት ክርስቶስ፡ ተሰዊኡ እዩ እሞ፡ ከምቲ ዘይምጹጻት ዝዀንኩም፡ ሓድሽ ብሑቝ ምእንቲ ኽትኰኑ፡ ነቲ ኣረጊት ማይ ብሑቝ ኣጽሪኹም ኣውጽእዎ። 8ስለዚ ብናይ ገርህነትን ሓቅን ብዘይመጸጸ እንጌራ በዓል ነብዕል እምበር፡ በቲ ኣረጊት ማይ ብሑቝ ወይስ ብማይ ብሑቝ እከይን ሕሰምን ኣይኰነን።
9ምስ ኣመንዝራታት ኣይትጸምበሩ ኢለ ኣብታ ደብዳበይ ጽሒፈልኩም ኣሎኹ። 10ግናኸ ምስ ኣመንዝራታት እዛ ዓለም እዚኣ ወይስ ምስ ስሱዓትን ዘረፍትን ወይስ ምስ መምለኽቲ ጣኦት ኢለ ግዳ ኣይኰንኩን ዝጸሓፍኩ፡ እንተ ዘይኰነስ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኽትወጹ ምተገብኣኩም ነይሩ። 11ሕጂ ግና ምስ ሓደ ሓው ዝብሃል እሞ ኣመንዝራ፡ ወይስ ስሱዕ፡ ወይስ መምለኽ ጣኦት፡ ወይስ ተጻራፊ፡ ወይስ ሰካር፡ ወይስ ዘራፊ እንተ ዀይኑ፡ ምስኡ ኸይትጽምበሩ፡ ምስ እዚ ኸምዚ ዝበለ ከቶ ኸይትበልዑ፡ ጽሒፈልኩም ኣሎኹ። 12ነቶም ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ምፍራደይሲ እንታይ ገዲሱኒ እዩ፧ ነቶም ኣብ ውሽጢ ዘለዉ እትፈርዱ ግዳ ንስኻትኩምዶ ኣይኰንኩምን፧ 13ነቶም ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ግና ኣምላኽ ክፈርዶም እዩ። ነቲ እኩይ ካባኻትኩም ኣውጽእዎ።
1ይ ቈረንቶስ ምዕራፍ 6
1ሓደ ኻባኻትኩም ምስ ብጻዩ ነገር እንተ ኣለዎ፡ ኣብ ቅድሚ እቶም ቅዱሳን ዘይኰነስ፡ ኣብ ቅድሚ እቶም ዓመጽቲዶ ኽፋራረድ ይደፍር እዩ፧ 2ወይስ እቶም ቅዱሳን ንዓለም ከም ዚፈርድዋዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ዓለም ብኣኻትኩም ካብ እትፍረድ ደኣ፡ ነቲ ናእሽቱ ነገር ፈረዲ ንምዃንዶ ኣይትበቕዑን ኢኹም፧ 3ንመላእኽቲ ኸም እንፈርዶምዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ከመይ ግዳ ነቲ ነገር እዛ ዓለም እዚኣ ዘይንፈርዶ፧ 4እምብኣርከ ንነገር እዛ ዓለም እዚኣ ዝፍረድ እንተ ኣሎኩም፡ ነቶም ንዑቓት ኣብ ማሕበርዶ ፈረዲ ትገብርዎም ኢኹም፧ 5-6ምእንቲ ኸሕፍረኩም እየ እዚ ዝብል ዘሎኹ፡ ሓው ምስ ሓው ይፋረድ ኣሎ፡ እዚ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እቶም ዘይኣምኑ፡ ከምዚዶ ኣብ መንጎ እቶም ኣሕዋት ክፈርድ ዝኽእል ለባም ሓደ እኳ የብልኩምን፧ 7ብርግጽ ኣብ ንሓድሕድኩም መፋራረዲ ምህላውኩም ብሱሩ ጒድለትኩም እዩ። ከመይ ግዳ ዘይትዕመጹ፧ ከመይከ ዘይትግፍዑ፧ 8ምሓልፎ ንስኻትኩም ትዕምጹን ትገፍዑን ኣሎኹም፡ እዚ ኸኣ ነቶም ኣሕዋት። 9ዓመጽቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ኣይትስሓቱ፡ ኣመንዝራታት፡ ወይ መምለኽቲ ጣኦት፡ ዘመውቲ፡ ወይ ሕንቁቓት፡ ወይ ግብሪ ሶዶም ዚገብሩ፡ 10ሰረቕቲ፡ ወይ ስሱዓት፡ ወይ ሰካራት፡ ወይ ተጻረፍቲ፡ ወይ ዘረፍቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣይክወርስዋን እዮም። 11ገሌኹም ከኣ ከማታቶም ኔርኩም፡ ግናኸ ብስም ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ብመንፈስ ኣምላኽን ተሓጺብኩምን ተቐዲስኩምን ጸዲቕኩምን ኢኹም።
12ኲሉ ተፈቒዱለይ ኣሎ፡ ግናኸ ኲሉ ኣይጠቅምን እዩ። ኲሉ ተፈቒዱለይ ኣሎ፡ ኣነ ግና ሓደ ነገር እኳ ክመልከኒ ኣይሓድጎን እየ። 13ብልዒ ንኸብዲ፡ ከብዲ ኸኣ ንብልዒ እዩ፡ ኣምላኽ ግና ነዝን ነትን ክጥፍኦም እዩ። ስጋ ንጐይታ፡ ጐይታውን ንስጋ እዩ እምበር፡ ስጋስ ንምንዝርና ኣይኰነን። 14ኣምላኽ ድማ ከምቲ ንጐይታና ዘተንስኦ፡ ንኣናውን ብሓይሉ ኸተንስኣና እዩ። 15እቲ ስጋኹም ኣካል ክርስቶስ ምዃኑዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ እምብኣርስኸ ንኣካል ክርስቶስ ወሲደዶ ኣካል ኣመንዝራ ኽገብሮ እየ፧ ያእ ኣይፋለይን። 16እቶም ክልተ ሓደ ስጋ ክዀኑ እዮም፡ ብሁል እዩ እሞ፡ ምስ ኣመንዝራ ዝለገበ ምስኣ ሓደ ስጋ ምዃኑዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ 17እቲ ምስ ጐይታ ዚለግብ ግና ምስኡ ሓደ መንፈስ እዩ። 18ካብ ምንዝርና ህደሙ። ሰብ ዝገብሮ ዘበለ ሓጢኣት ካብ ስጋኡ ብወጻኢ እዩ፡ ዝንምዝር ግና ኣብ ገዛእ ስጋኡ እዩ ሓጢኣት ዝገብር። 19-20ብዋጋ ተዓዲግኩም ኢኹም እሞ፡ ስጋኹም ቤተ መቕደስ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ፡ ካብ ኣምላኽ እተቐበልኩምዎ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ፡ ናይ ርእስኹምውን ከም ዘይኰንኩምዶ፡ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ስለዚ ብስጋኹም ንኣምላኽ ኣኽብርዎ።
1ይ ቈረንቶስ ምዕራፍ 7
1ብዛዕባ እቲ ዝጸሓፍኩምለይ ግና ከምዚ እዩ፡ ሰብኣይ ኣብ ሰበይቲ እንተ ዘይቀረበ ጽቡቕ እዩ። 2ስለ ኻብ ምንዝርና ምርሓቕ ግና ነፍሲ ወከፍ ሰብኣይ ገዛእ ሰበይቱ ትሃልዎ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰበይቲውን ገዛእ ሰብኣያ ይሃልዋ። 3ሰብኣይ ንሰበይቱ ዝግባኣ ይግበረላ፡ ከምኡውን ሰበይቲ ንሰብኣያ ትግበረሉ። 4ሰበይቲ፡ ሰብኣያ እምበር፡ ኣብ ገዛእ ስጋኣ ኣይትመልኽን እያ፡ ከምኡ ኸኣ ሰብኣይ፡ ሰበይቱ ደኣ እምበር፡ ኣብ ገዛእ ስጋኡ ኣይመልኽን እዩ። 5ንጸሎት ግዜ ምእንቲ ኽትረኽቡ፡ ንጊዚኡ ብምስምማዕ ክልቴኹም እምበር፡ እቲ ሓደ ኻብቲ ሓደ ኣይፈለ። ብምኽንያት እቲ ንነፍስኹም ዘይምምላኽኩም ሰይጣን ምእንቲ ኸይፍትነኩም ከኣ፡ ከም ብሓድሽ ተራኸቡ። 6እዚ ግና ከም ፍቓድ እብል ኣሎኹ እምበር፡ ትእዛዝ ኣይኰነን። 7ኲሉ ሰብ ከምዚ ኸማይ ክኸውን ምፈቶኹ ነይረ፡ ግናኸ እቲ ሓደ ኸምዚ እቲ ሓደውን ከምቲ ነፍሲ ወከፍ ካብ ኣምላኽ ናይ ጸጋ ወውህበቱ ኣለዎ።
8ንዘይተመርዓዉን ንሓያማትን ግና፡ ከምዚ ኸማይ እንተ ነበሩ፡ ጽቡቕ እዩ፡ እብል ኣሎኹ። 9ነፍሶም ክመልኩ እንተ ዘይተኻእሎም ግና፡ ብፍትወት ካብ ምንዳድሲ ምምርዓው ይሓይሽ እሞ፡ ይመርዓዉ። 10-11ነቶም እተመርዓዉ ግና፡ ዝእዝዝ ዘሎ ጐይታ እዩ እምበር፡ ኣነ ኣይኰንኩን፡ እታ ሰበይቲ ኻብ ሰብኣያ ኣይትፈታሕ፡እንተ ተፈትሐት ከኣ፡ በኪ ትንበር ወይስ ምስ ሰብኣያ ትተዓረቕ፡ሰብኣይውን ሰበይቱ ኣይፍታሕ፡ ኢለ እእዝዝ ኣሎኹ። 12-14ነቶም ካልኦት ድማ ኣነ እብል ኣሎኹ፡ ጐይታ ኣይኰነን፡ እቲ ዘይኣማኒ ሰብኣይ በታ ሰበይቱ ተቐዲሱ እዩ፡ እታ ዘይኣማኒት ሰበይቲውን በቲ ሓው ተቐዲሳ እያ እሞ፡ ከምኡ እንተ ዘይከውንሲ፡ ውሉድኩም ርኹሳት ምዀኑ ነይሮም፡ ሕጂ ግና ቅዱሳን እዮም። ሓደ ሓው ዘይኣማኒት ሰበይቲ እንተ ኣላቶ፡ ንሳ ድማ ምስኡ ኽትነብር እንተ ፈተወት፡ ኣይፍትሓያ፡ ሰበይቲውን ዘይኣማኒ ሰብኣይ እንተ ኣለዋ፡ ንሱ ኸኣ ምስኣ ኽነብር እንተ ፈተወ፡ ነቲ ሰብኣያ ኣይትፍትሓዮ። 15-16ኣቲ ሰበይቲ፡ ንሰብኣይኪ እንተ ኣድሓንክዮ፡ እንታይ ትፈልጢ፧ ወይስ ኣታ ሰብኣይ፡ ንሰበይትኻ እንተ ኣድሓንካያ፡ እንታይ ትፈልጥ፧ እቲ ዘይኣማኒ እንተ ተፈልየ ግና፡ ይፈለ። ሓው ወይስ ሓብቲ በዚ ኸምዚ ዘመሰለ ኣብ ትሕቲ ባርነት ኣይኰኑን ዘለዉ፡ ኣምላኽ ግና ብሰላም ክንነብር ጸዊዑና ኣሎ።
17ብዝተረፈስ፡ ነፍሲ ወከፍ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝዓደሎ፡ ነፍሲ ወከፍውን ከምቲ ኣምላኽ ዝጸውዖ ዀይኑ ይመላለስ፡ ንዂላተን ማሕበራት ከምኡ እየ ዝሰርዕ ዘሎኹ።
18ግዙር ክነሱ እተጸውዐዶ ኣሎ፧ ዘይግዙር ምዃኑ ኣይድለ። ዘይግዙር ክንሱ እተጸውዐኸ ኣሎዶ፧ ኣይገዘር። 19ምሕላው ትእዛዛት ኣምላኽ እዩ ዝጠቅም እምበር፡ ግዝረት ፍረ የብሉን፡ ዘይግዝረትውን ፍረ የብሉን። 20ነፍሲ ወከፍ በቲ እተጸዋዓሉ ጽውዓ ይንበር። 21ባርያ ኽነስኻ ዲኻ እተጸዋዕካ፧ ኣይትጒሀ። ሓራ ኽትወጽእ እንተ ዀነልካ ግና፡ ከምኡ ግበር። 22እቲ ባርያ ኽነሱ እግዚኣብሄር ዝጸውዖ፡ ናይ እግዚኣብሄር ውጹእ ሓራ እዩ። ከምኡውን እቲ ሓራ ኽነሱ እተጸውዐ፡ ባርያ ክርስቶስ እዩ። 23ብዋጋ ተዓዲግኩም ኢኹም፡ ባሮት ሰብ ኣይትኹኑ። 24ኣሕዋተየ፡ ነፍሲ ወከፍ በቲ እተጸውዖ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብእኡ ይንበር።
25ብናይ ደናግል ግና፡ እሙን ክኸውን ካብ እግዚኣብሄር ምሕረት ከም እተቐበልኩ፡ ሓሳባይ እብል ኣሎኹ እምበር፡ ካብ እግዚኣብሄር ትእዛዝ የብለይን። 26እምብኣርሲ ንሰብ ብምኽንያት እቲ ሎሚ ዘሎ ጭንቀት ከምታ ዘለዋ ዀይኑ ኽነብር ጽቡቕ ከም ዝዀነ፡ ይመስለኒ። 27ብሰበይትኻዶ እሱር ኢኻ፧ ፍትሕ ኣይትድለ። ብሰበይትኻዶ ኣይተኣሰርካን፧ ሰበይቲ ኣይትድለ። 28ግናኸ እንተ ተመርዖኻ፡ ሓጢኣት ኣይገበርካን፡ ድንግልውን እንተ ተመርዓወት፡ ሓጢኣት ኣይገበረትን። እዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ ግና ብስጋ መከራ ይረኽቡ እዮም እሞ፡ ኣነ እንሕፈኩም ኣሎኹ። 29ኣሕዋተየ፡ እዚ ግና እነግር ኣሎኹ፡ እቲ ዘመን ሓጺር እዩ፡ እቶም ኣንስቲ ዘለዋኦም ድሕርዚ ኸም ዘይብሎም ይኹኑ። 30እቶም ዝበኽዩ ኸም ዘይበኽዩ፡ እቶም ዝሕጐሱ ኸኣ ከም ዘይሕጐሱ፡ እቶም ዝዕድጉውን ከም ዘየጥረዩ ይኹኑ። 31ንብረት እዛ ዓለም እዚኣ ሓላፊ እዩ እሞ፡ እቶም በዛ ዓለም እዚኣ ዝጥቀሙ ኸም ዘይተጠቕሙ ይኹኑ። 32ኣነ ግና ብዘይ ሓልዮ ኽትኰኑ እየ ዝፈቱ። እቲ ዘይተመርዓወ ኸመይ ገይሩ ንጐይታ ኸም ዘሐጒሶ ብናይ ጐይታ እዩ ዝሓሊ። 33እቲ እተመርዓወ ግና ንሰበይቱ ኸመይ ገይሩ ኸም ዘሐጒሳ ብናይ እዛ ዓለም እዚኣ እዩ ዝሓሊ። 34ናይ ምርዕውቲ ሰበይትን ናይ ድንግልን ድማ በበይኑ እዩ። እታ ዘይተመርዓወት፡ ስጋኣን መንፈሳን ምእንቲ ኪቕደስ ኢላ፡ ብናይ ጐይታ እያ እትሓሊ፡ እታ ምርዕውቲ ግና፡ ከመይ ገይራ ንሰብኣያ ኸም እተሐጒሶ፡ ብናይ እዛ ዓለም እዚኣ እያ እትሓሊ። 35ብተገብአ ነገርን ብጽንዓትን ከይተናቓነቕኩም ብጐይታ ኽትጸንዑ እምበር፡ መፈንጠራ ምእንቲ ኽገብረልኩም ኣይኰንኩን፡ እዚ ንረብሓ ርእስኹም እዩ ዝብሎ ዘሎኹ። 36ግናኸ ሓደ በታ ድንግል ጓሉ ዘሕፍር ዘለዎ እንተ መሰሎ፡ ኣዝያ ኸኣ ብጽሕቲ እንተ ዀነት፡ ከምዚ ክኸውን ድማ ዝግባእ እንተ ዀይኑ፡ ዝደለየ ይግበር፡ ሓጢኣት የብሉን፡ ንሰብኣይ ይሃባ። 37ግናኸ እቲ ብልቡ ወዲእዎ ዝጸንዐ፡ ግዲ ዘይኰኖ፡ ኣብ ገዛእ ፍቓዱ ምልኪ ዘለዎ፡ እታ ጓሉ ብድንግልናኣ ኽትነብር ብልቡ ዝቘረጾ፡ ጽቡቕ ይገብር። 38እምብኣርሲ እቲ ንጓሉ ንሰብኣይ ዝህብ ጽቡቕ ይገብር፡ እቲ ዘይህብ ከኣ ዝሓይሽ ይገብር። 39ሰበይቲ እቲ ሰብኣይ ብህይወቱ ኽሳዕ ዘሎ ዘመን፡ እስርቲ እያ። ሰብኣይ እንተ ሞተ ግና፡ ብእግዚኣብሄር ጥራይ ደኣ ይኹን እምበር፡ ኣብ ዝደለየቶ ኽትምርዖ ሓራ እያ። 40ከም ሓሳበይ ግና፡ ከምቲ ዘላቶ ዀይና እንተ ትነብር፡ ኣዝያ ብጽእቲ ምዀነት፡ ኣነውን መንፈስ ኣምላኽ ከም ዘሎኒ ይመስለኒ ኣሎ።
1ይ ቈረንቶስ ምዕራፍ 8
1ብዛዕባ ንጣኦታት እተሰውአ ግና ኲላትና ፍልጠት ከም ዘሎና፡ ንፈልጥ ኢና። ፍልጠት ይነፍሕ፡ ፍቕሪ ግና ይሃንጽ። 2ሓደ ገለ ኸም ዝፈልጥ ዝመስሎ እንተሎ፡ ነቲ ዝፈልጦ ገና ኸምቲ ዝግብኦ ገይሩ ኣይፈልጦን እዩ። 3ንኣምላኽ ዘፍቅሮ እንተሎ ግና፡ ንሱ ብእኡ ፍሉጥ እዩ። 4ደጊም ብዛዕባ እቲ ንጣኦታት እተሰውአ ምብላዕ፡ ጣኦት ኣብ ዓለም ግዛዕ ከም ዘይኰነን ብዘይ እቲ ሓደ በይኑ ኸኣ ካልእ ኣምላኽ ከም ዘየልቦን፡ ንፈልጥ ኢና። 5ኣብ ሰማይ ወይስ ኣብ ምድሪ ኣማልኽቲ ዝብሃሉ እንተለዉስ፡ከምቲ ብዙሓት ኣማልኽትን ብዙሓት ጐይተትን ዘለዉ፡ 6ንኣናስ ኲሉ ኻብኡ ዝኸውን ንሕናውን ንእኡ እንኸውን ሓደ ኣምላኽ ጥራይ፡ ኣቦ፡ ኣሎና፡ ኲሉ ብእኡ ዝኸውን ንሕና ኸኣ ብእኡ እንኸውን ሓደ ጐይታውን፡ የሱስ ክርስቶስ፡ ኣሎና። 7እዚ ፍልጠት እዚ ግና ኣብ ኲሉ ሰብ ኣይርከብን እዩ። ሓያሎ ነቲ ጣኦት ክሳዕ ሎሚ ልማድ ገይሮምዎ፡ ንጣኦት ከም እተሰውአ ገይሮም እዮም ዝበልዑ ዘለዉ እሞ፡ ሕሊናኦም ድኹም ኰይኑስ ይረክስ። 8ብልዒ ግና ኣብ ኣምላኽ ኣየብጽሓናን እዩ፡ እንተ በላዕና፡ ኣይንውስኽ፡ እንተ ዘይበላዕናውን ኣይንንክን ኢና። 9ግናኸ እቲ ሓርነትኩምሲ ነቶም ድኹማት መዓንቀፊ ኸይኰኖም፡ ተጠንቀቑ። 10ሓደ ሰብ ንኣኻ፡ ፍልጠት ዘሎካ፡ ኣብ ቤት ጣኦት ተቐሚጥካ እንተ ረኣየካ፡ እቲ ድኹም ነቲ ንጣኦት እተሰውአ ንምብላዕዶ ሕሉናኡ ኣይኪደፍርን እዩ፧ 11ከምዚ እቲ ምእንታኡ ክርስቶስ ዝሞተሉ ድኹም ሓው ብሰሪ ፍልጠትካ ይጠፍእ ኣሎ። 12ከምዚኸስ ነቶም ኣሕዋት እናበደልኩም፡ ነቲ ድኹም ሕሊናኦምውን እናኣቝሰልኩም፡ ንክርስቶስ ትብድልዎ ኣሎኹም። 13ስለዚ ኸኣ እቲ ብልዒ ንሓወይ ዝዕንቅፎ እንተ ዀይኑስ፡ ንሓወይ ምእንቲ ኸየዐንቅፎ፡ ንሓዋሩ ከቶ ስጋ ኣይክበልዕን እየ።
1ይ ቈረንቶስ ምዕራፍ 9
1ኣይሓራን ድየ፧ ኣይሃዋርያን ድየ፧ ንጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኣይርኤኽዎን ድየ፧ ንስኻትኩምሲ ብጐይታዶ ኣይዕዮይን ኢኹም፧ 2ማሕተም ሃዋርያነተይ ብጐይታ ንስኻትኩም ኢኹም እሞ፡ ንኻልኦት እኳ ሃዋርያ እንተ ዘይኰንኩ፡ ንኣኻትኩምሲ ሃዋርያኹም እየ። 3ምምጽራየይ ነቶም ዝምርምሩኒ እዚ እዩ፡ 4ክንበልዕን ክንሰትንዶ መሰል የብልናን ኢና፧ 5ከምቶም ካልኦት ሃዋርያትን ኣሕዋት ጐይታናን ኬፋን ዝገብርዎ፡ ብእምነት ሓብትና ዝዀነት ሰበይቲ ምሳና ኸነዝውርዶ መሰል የብልናን ኢና፧ 6ወይስ ኣነን በርናባስን ጥራይ ዲና ዕዮ ኽንሓድግ መሰል ዘይብልና፧ 7ኣየናይ ዓቀይታይ እዩ ገዛእ ገንዘቡ እናተመገበ ዝኽተል፧ ወይኒ ተኺሉስ ፍሪኡ ዘይበልዕከ መን እዩ፧ ወይስ እናጓሰየ ኻብተን ዝጓስየን መጓሰ ጸባ ዘይሰቲ መን እዩ፧ 8እዚ ኸም ኣዛራርባ ሰብዶ እየ ዝዛረብ ዘሎኹ፧ እቲ ሕጊውንዶ ኸምኡ ኣይብልን እዩ፧ 9ኣፍ እቲ ዘኽይድ ብዕራይ ኣይትእሰር፡ ዝብል ኣብ ሕጊ ሙሴ ጽሑፍ ኣሎ እሞ፡ ኣምላኽዶ ብዛዕባ ኣብዑር ሓልዩ እዩ፧ 10ወይስ ብሱሩ ምእንታናዶ ኣይኰነን ዝብሎ ዘሎ፧ እቲ ዝሓርስ ብተስፋ ኽሓርስ፡ እቲ ዘኽይድ ከኣ ግዲኡ ኽረክብ ብተስፋ ከኽይድ ዝግብኦ ስለ ዝዀነ፡ ምእንታና እዩ እዚ ተጽሒፉ ዘሎ። 11ንሕና ንኣኻትኩም እቲ ናይ መንፈስ ካብ እንዘርኣልኩምከ፡ ነቲ ናይ ስጋኹም እንተ ዓጸድናዮዶ በዚሑና እዩ፧ 12ካልኦት ካብዚ መሰል እዚ ኣባኻትኩም ተማቐልቲ ኻብ ዝዀኑስ፡ ንሕናዶ ግዳ ዝዓዝዝ ኣየሎናን፧ ንሕና ግና ንወንጌል ክርስቶስ መዕገቲ ምእንቲ ኸይንገብርሲ፡ ንዂሉ ንዕገስ እምበር፡ ነዚ መሰል እዚ ኣይወሰድናዮን፡ 13እቶም ቅዱስ ኣገልግሎት ዘገልግሉ ኻብቲ ናይ ቤተ መቕደስ ከም ዝምገቡ፡ እቶም ኣብ መሰውኢ ዘገልግሉውን ምስቲ መሰውኢ ኸም ዝካፈሉዶ፡ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ 14ከምኡ ድማ ጐይታ ነቶም ወንጌል ዝሰብኩ ብወንጌል ክምገቡ ሰሪዑሎም ኣሎ። 15ኣነ ግና ካብ ከምዚ ዘመሰለ ሓንቲ እኳ ኣይወሰድኩን፡ ከምኡ ምእንቲ ክዀነለይ ኢለውን ኣይኰንኩን እዚ ዝጸሓፍኩ። ነቲ ትምክሕተይ ሓደ ኸንቱ ኻብ ዝገብሮስ ሙማት ምሓሸኒ ነይሩ። 16ኣነ ወንጌል እንተ ሰበኽኩ፡ ብግዲ በጺሑኒ እዩ እሞ፡ ዝምክሓሉ የብለይን። ወንጌል እንተ ዘይሰበኽኩ ግና ወይለይ። 17እዚ ፈትየ እንተ ገበርክዎስ፡ ዓስቢ ኣሎኒ። ከይፈቶኹ እንተ ገበርክዎ ግና፡ እዚ መጋቢነት እዚ ብዝዀነ ይኹን ሕድሪ ተውሂቡኒ እዩ። 18እምብኣርሲ ዓስበይ ደኣ እንታይ እዩ፧ ወንጌል እናሰበኽኩስ፡ እቲ ብወንጌል ዘሎኒ መሰል ከይወሰድኩ፡ ወንጌል ብኸምኡ እንተ ነገርኩ እዩ።
19ካብ ኲሉ ሓራ ኽነሰይ፡ ኣነ ብዙሓት ምእንቲ ኽረብሑ፡ ንርእሰይ ባርያ ዂላቶም ገበርክዋ። 20እቶም ኣይሁድ ምእንቲ ኽረብሑ፡ ምስ ኣይሁድ ከም ኣይሁዳዊ ዀንኩ። እቶም ትሕቲ ሕጊ ዘለዉ ምእንቲ ኽረብሑ ከኣ፡ ምስቶም ትሕቲ ሕጊ ዘለዉባዕለይ እኳ ትሕቲ ሕጊ ዘይኰንኩ ኽነሰይ፡ ከምቲ ትሕቲ ሕጊ ዘሎ ዀንኩ። 21እቶም ሕጊ ዘይብሎም — ብሕጊ ክርስቶስ እምበር፡ ብዘይ ሕጊ ኣምላኽ ዘይኰንኩ ኽነሰይ፡ — ከምቶም ሕጊ ዘይብሎም ኰንኩ። 22ኣነ እቶም ድኹማት ምእንቲ ኽረብሑ ድማ። ምስቶም ድኹማት ድኹም ኰንኩ። ብዂሉ መገዲ ንገሊኦም ምእንቲ ኸድሕን፡ ንዂላቶም ኲሉ ዀንኩ። 23እዚ ዂሉ ምእንቲ ወንጌል፡ ንርእሰይውን ካብኡ ኽካፈል ኢለ እየ ዝገበሮ ዘሎኹ።
24ኣብቲ ስፍራ ቕድድም ዝቃዳደሙኸ ዂላቶም ከም ዝጐዩ፡ ነታ ዓስቢ ዓወት ግና ሓደ ኸም ዝወስዳዶ፡ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ንስኻትኩም ምእንቲ ኽትረኽብዋ፡ ከምኡ ጒየዩ። 25እቲ ዝቃለስ ዘበለ ብዂሉ ነገር መጢኑ ነፍሱ ይገትእ እዩ፡ እዚኣቶም ነቲ ሓላፊ ኣኽሊል ምእንቲ ክቕበሉ እዮም፡ ንሕና ግና ነቲ ዘይሓልፍ። 26ስለዚ ኣነ እጐዪ ኣሎኹ፡ ግናኸ ከምቲ ንዘይፍሉጥ ዝጐዪ ኣይኰንኩን፡ እምክት ኣሎኹ፡ ከምቲ ንንፋስ ዝወቅዕ ግና ኣይኰንኩን። 27ንኻልኦት እናሰበኽኩ፡ ንርእሰይ ድርቡይ ምእንቲ ኸይከውን፡ ንስጋይ ኤሰቅዮን አግዝኦን ኣሎኹ።
1ይ ቈረንቶስ ምዕራፍ 10
1ኣሕዋተየ፡ ኵላቶም ኣቦታትና ትሕቲ ደበና ኸም ዝነበሩ፡ ኲላቶምውን ባሕሪ ኸም እተሳገሩ፡ ዘይትፈልጡ ኽትኰኑ ኣይፈቱን እየ። 2ኲላቶም ድማ ብደበናን ብባሕርን ናብ ሙሴ ተጠምቁ። 3ኲላቶምውን እቲ ሓደ መንፈሳዊ ምግቢ በልዑ፡ 4ኲላቶምውን እቲ ሓደ መንፈሳዊ መስተ ሰተዩ። ካብቲ ዝስዕቦም ዝነበረ መንፈሳዊ ኸውሒ ሰትዮም እዮም እሞ፡ እቲ ኸውሒ እቲ ኸም ክርስቶስ እዩ። 5ካባታቶም እቶም ዝበዝሑ ግና ንኣምላኽ ባህ ኣየበልዎን፡ ስለዚ ኣብ በረኻ ተወድኡ። 6እዚ ኸኣ፡ ከምቲ ንሳቶም እተመነይዎ ንሕና ነቲ እከይ ምእንቲ ኸይንምነ፡ መለበሚ ዀነልና። 7እምብኣርከ፡ እቲ ህዝቢ ኽበልዕን ክሰትን ተቐመጠ ኽሰሕቕውን ተንስኤ፡ ዝብል ከም እተጻሕፈ፡ ከምቶም ገሊኣቶም መምለኽቲ ጣኦት ኣይትኹኑ። 8ከምቲ ገሊኣቶም ዝመንዘሩ እሞ ብሓንቲ መዓልቲ ዕስራን ሰለስተን ሽሕ ዝወደቑ፡ ኣይንመንዝር። 9ከምቲ ገሊኣቶም ዝፈተንዎ እሞ በትማን ዝጠፍኡ፡ ንክርስቶስ ኣይንፈትኖ። 10ከምቲ ገሊኣቶም ዘዕዘምዘሙ እሞ እቲ መጥፍኢ ዘጥፍኦም፡ ኣይነዕዘምዝም። 11እዚ ዂሉ መለበሚ ክኸውን እዩ ዝበጽሖም፡ ንኣና እቲ መወዳእታ ዘመናት ንዘርከበናውን ንተግሳጽ ክዀነና እዩ እተጻሕፈ። 12ስለዚ እቲ ደው ኢሉ ዘሎ ዝመስሎ፡ ከይወድቕ ይጠንቀቕ። 13ሰብ ክጾሮ ዘይኽእል ፈተና ኣይበጽሓኩምን ። ኣምላኽ እሙን እዩ እሞ፡ ምስቲ ፈተናኹም ምጽዋሩ ምእንቲ ኽትክእሉስ፡ መውጽኢ ገይሩልኩም ኣሎ፡ ካብ ዓቕምኹም ንንየው ክትፍተኑ ኣይሓድገኩምን እዩ።
14ፍቁራተየ፡ ስለዚ ኻብ ምምላኽ ጣኦት ህደሙ። 15ከም ነስተውዓልቲ እየ ዝዛረብ ዘሎኹ፡ ነዚ ዝብሎ ዘሎኹ ባዕላትኩም ፍረድዎ። 16እታ ንሕና እንባርኻ ናይ በረኸት ጽዋእ ምስ ደም ክርስቶስ ሕብረት ዘለዋዶ ኣይኰነትን፧ እታ እንቘርሳ እንጌራስ ምስ ስጋ ክርስቶስ ሕብረት ዘለዋዶ ኣይኰነትን፧ 17ካብ ሓንቲ እንጌራ ተማቒልና ኢና እሞ፡ ሓንቲ እንጌራ ኻብ እትኸውንሲ፡ ንሕና ብዙሓት ክነስና ሓደ ስጋ ኢና። 18ንእስራኤል እማ ብስጋ ጠምቱ፡ እቶም ካብ መስዋእቲ ዝበልዑስ ምስቲ መሰውኢዶ ሕብረት የብሎምን እዮም፧ 19እንታይከ እብል ኣሎኹ፧ ንጣኦታት እተሰውኤዶ ገለ ነገር እዩ፧ ወይ ጣኦታዶ ገለ ነገር እዩ፧ 20ኣይፋሉ፡ ኣህዛብ ዝስውእዎ ነጋንንቲ እዩ እምበር፡ ንኣምላኽ ኣይኰነን። ምስ ኣጋንንቲ ሕብረት ክህልወኩም ኣይፈቱን እየ። 21ጽዋእ ጐይታን ጽዋእ ኣጋንንትን ክትሰትዩ ኣይከኣለኩምን፡ ካብ መኣዲ ጐይታን ካብ መኣዲ ኣጋንንትን ክትምቀሉውን ኣይከኣለኩምን እዩ። 22ወይስ ንጐይታ ምእንቲ ኸነቕንኦ ዲና፧ ካብኡዶ ንሕና ንብርትዕ፧
23ኲሉ ተፈቒዱለይ፡ ኲሉ ግና ኣይጠቅምን እዩ፡ ኲሉ ተፈቒዱለይ፡ ኲሉ ግና ኣይሃንጽን እዩ። 24ነፍሲ ወከፍ ንጥቕሚ ብጻዩ ደኣ እምበር፡ ሓደ እኳ ጥቕሚ ርእሱ ኣይድለ። 25-26ምድርን እቲ ኣብኣ መሊኡ ዘሎን ናይ እግዚኣብሄር እዩ እሞ፡ ኣብ ዕዳጋ ዝሽየጥ ዘበለ ዂሉ፡ ስለ ሕሊና ኢልኩም ገለ ኸይመራመርኩም ብልዑ። 27ካብቶም ዘይኣምኑ ሓደ እንተ ጸውዓኩም እሞ ክትከዱ እንተ ደሌኹም፡ ስለ ሕሊና ኢልኩም ገለ ኸይመራመርኩም፡ እተቐረበልኩም ዘበለ ዂሉ ብልዑ። 28ገለ፡ እዝስ ንጣኦታት እተሰውኤ እዩ፡ እንተ በለኩም ግና፡ ምእንቲ እቲ ዝነገረኩምን ምእንቲ ሕሊናን ኢልኩም ኣይትብልዑ። 29ማለት፡ ሕሊና ብጻይካ ደኣ እምበር፡ ሕሊና ርእስኻ ኣይበልኩን። ስለምንታይከ እቲ ሓርነተይ ብሕሊና ኻልእ ዝፍረድ፧ 30ኣነ ብምስጋና ኻብ ዝምቀሎ ደኣ፡ ስለምንታይ በቲ ዘመስግነሉ ዝጽረፍ፧ 31እምብኣርሲ እንተ በላዕኩም፡ ወይስ እንተ ሰቴኹም፡ ወይስ ዝዀነ ይኹን እንተ ገበርኩም፡ ኲሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ግበርዎ። 32ንኣይሁድ ኰነ ንጽርኣውያን፡ ወይስ ንማሕበር ኣምላኽ ኰነ መዓንቀፊ ኣይትኹኑ። 33ምእንቲ ኽድሕኑስ ጥቕሚ ብዙሓት እምበር፡ ጥቕሚ ርእሰይ ከይደሌኹ፡ ከምኡ ድማ ኣነ ብዂሉ ነገር ንዂሉ ሰብ አሐጒስ ኣሎኹ።
1ይ ቈረንቶስ ምዕራፍ 11
1ከምዚ ኣነ ንክርስቶስ ዝመስሎ ዘሎኹ፡ ንስኻትኩም ንኣይ ምሰሉ።
2ሕጂ ድማ ብዂሉ ስለ ዝዘከርኩምንን ከምቲ ዝመሃርኩኹም ጌርኩም፡ ነቲ ምህሮ ስለ ዝሓዝኩምዎን እንእደኩም ኣሎኹ። 3ግናኸ ርእሲ ሰብኣይ ዘበለ ክርስቶስ፡ ርእሲ ሰበይቲ ኸኣ ሰብኣይ፡ ርእሲ ክርስቶስውን ኣምላኽ ከም ዝዀነ፡ ክትፈልጡ እፈቱ ኣሎኹ። 4ሰብኣይ ዘበለ ዂሉ ኽጽሊ ወይስ ትንቢት ክንበ ኸሎ፡ ርእሱ እንተ ተጐልበበ፡ ንርእሱ የሕስር። 5ሰበይቲ ዘበለት ኲላ ግና ክትጽሊ ወይስ ትንቢት ክትንበ ኸላ፡ ርእሳ እንተ ዘይተጐልበበት፡ እዚኣስ ከም ልጽይቲ እያ እሞ፡ ርእሳ ተሕስር እያ። 6ሰበይቲ ዘይትጒልበብ እንተ ዀነት፡ እምብኣርሲ ጸጒራ ትቈረጽ። ግናኸ ንሰበይቲ ምቑራጽ ወይስ ምልጻይ ጸጕራ ዘነውራ ኻብ ኰነ፡ ትጐልበብ። 7-8ሰበይቲ ኻብ ሰብኣያ እያ እምበር፡ ሰብኣይ ካብ ሰበይቲ ኣይኰነን እሞ፡ ሰብኣይ ምስሊ ኣምላኽን ክብሩን ካብ ኰነስ፡ ርእሱ ኽጒልበብ ኣይግብኦን እዩ። ሰበይቲ ግና ክብሪ ሰብኣይ እያ። 9ሰበይቲውን እያ ምእንቲ ሰብኣይ እተፈጥረት እምበር፡ ሰብኣይሲ ምእንቲ ሰበይቲ ኣይተፈጥረን። 10ስለዚ ኸኣ ምእንቲ እቶም መላእኽቲ ንሰበይቲ ኣብ ርእሳ ምልክት ምልኪ ኽህልዋ ይግባእ እዩ። 11-12ከምቲ ሰበይቲ ኻብ ሰብኣይ ዝዀነት፡ ከምኡውን ሰብኣይ ብሰበይቲ እዩ፡ ብጐይታ ግና ሰበይቲ ብዘይ ሰብኣይ፡ ሰብኣይ ከኣ ብዘይ ሰበይቲ ከቶ ኣይከውንን እዩ፡ ኲሉ ግና ካብ ኣምላኽ እዩ። 13እስኪ፡ ባዕላትኩም ፍረድዎ፡ ሰበይቲ ኸይተጐልበበት ናብ ኣምላኽ ክትጽሊዶ ይግባእ እዩ፧ 14ወይስ ሰብኣይ ጸጒሩ እንተ ኣንውሐ፡ ሓሳሩ ምዃኑስ እቲ ባህርይ ባዕሉዶ ኣይምህረኩምን እዩ፧ 15ሰበይቲ ጸጒራ እንተ ኣንውሐት ግና፡ ጸጒራ ኣብ ክንዲ መጐልበቢ ተውሂብዋ እዩ እሞ፡ ንእኣ ኽብረታ እዩ። 16ገለ ሰብ ግና ባእሲ ዝፈቱ እንተ ዀነ፡ ንሕናን እተን ማሕበራት ኣምላኽን ከምዚ ዝበለ ልማድ የብልናን።
17ግናኸ እዚ ኽእዝዝ ከሎኹ፡ ምእካብኩም ንዝገድድ እምበር፡ ንዝሓይሽ ስለ ዘይኰነ፡ ኣይንእደኩምን እየ። 18ቅድሚ ዂሉ ኸኣ ኣብ ማሕበር ምስ ተኣከብኩም፡ ምፍልላይ ኣብ ማእከልኩም ከም ዘሎ፡ እሰምዕ ኣሎኹ እሞ፡ ካብኡውን ከፊለ እኣምን እየ። 19እቶም ቅኑዓትኩም ምእንቲ ኽግለጹስ፡ ኣብ ማእከልኩም ሻራ ክኸውን ብግዲ ዘድሊ እዩ። 20-21ብግዜ ብልዕኹም ነፍሲ ወከፍኩም ተቓዳዲሙ ድራሩ ይበልዕ፡ እቲ ሓደን ይጠሚ እቲ ሓደን ይሰክር ኣሎ እሞ፡ ከምኡ እቲ ብሓደ ምእካብኩም ንምብላዕ መኣዲ ጐይታ ኣይኰነን። 22እትበልዑሉን እትሰትዩሉን ኣባይቲዶ የብልኩምን፧ ወይስ ንማሕበር ኣምላኽ ንዒቕኩም ዲኹም፡ ነቶም
ዘይብሎምውን እተሕፍርዎም ዘለኹም ፧ እንታይ እሞ ኽብለኩም፧ በዚዶ ኽንእደኩም፧ ኣይንእደኩምን እየ። 23ኣነ ኻብ ጐይታ እተቐበልክዎ እየ እሞ፡ ንኣኻትኩምውን ዝነገርክዎ፡ ጐይታና የሱስ በታ እተታሕዘላ ለይቲ እንጌራ ኣልዓለ፡ 24ኣመስጊኑ ቘረሰ እሞ፡ ውሰዱ፡ ብልዑ፡ እዚ ምእንታኹም እተዋህበ ስጋይ እዩ፡ እዚ ንመዘከርታይ ግበርዎ፡ በለ። 25ከምኡ ኸኣ ድሕሪ ድራር ነታ ጽዋእ ኣልዓለ እሞ፡ እዛ ጽዋእ እዚኣ ብደመይ ሓድሽ ኪዳን እያ። ብትሰትይዎ መጠን ንመዘከርታይ ግበርዎ፡ በለ። 26ማለት፡ እዛ እንጌራ እዚኣ ብትበልዕዋ፡ እዛ ጽዋእ እዚኣውን ብትሰትይዋ መጠን፡ ክሳዕ ጐይታ ዝመጽእ፡ ሞቱ ትነግሩ ኢኹም። 27ስለዚ ኸይተገብኦ እዛ እንጌራ እዚኣ ዝበልዕ ወይስ ጽዋእ ጐይታ ዝሰቲ፡ ንሱ ኣብ ናይ ጐይታ ስጋን ደምን እዩ ዝዕግብ። 28ግናኸ ሰብ ንርእሱ ይመርምር፡ ከምኡ ኸኣ ካብዛ እንጌራ እዚኣ ይብላዕ፡ ካብዛ ጽዋእ እዚኣውን ይስተ። 29እቲ ዝበልዕን ዝሰትን ንስጋ ጐይታ እንተ ዘይለለየ፡ ንርእሱ እዩ ፍርዲ ዝበልዕን ዝሰትን። 30በዚ ምኽንያት እዚ እዮም ኣብ ማእከልኩም ብዙሓት ድኹማትን ሕሙማትን ዘለዉ፡ ዝደቀሱውን ብዙሓት እዮም። 31ግናኸ ኣብ ርእስና እንተ ንፈርድሲ፡ ኣይምተዀነናን ኔርና። 32ክንፍረድ ከሎና ግና፡ ምስ ዓለም ምእንቲ ኸይንዂነን፡ ብጐይታ ንቕጻዕ ኣሎና። 33ስለዚ፡ ኣሕዋተየ፡ ንምብላዕ ክትእከቡ ኸሎኹም፡ ንሓድሕድኩም ደኣ ተጸባበዩ። 34ምእካብኩም ንፍርዲ ምእንቲ ኸይከውን፡ ገለ ሰብ እንተ ጠመየ፡ ኣብ ቤቱ ይብላዕ። ነቲ ዝተረፈ ግና፡ ምስ መጻእኩ፡ ክሰርዖ እየ።
1ይ ቈረንቶስ ምዕራፍ 12
1ኣሕዋተየ፡ ብዛዕባቲ መንፈሳዊ ውህበት ግና ብዘይ ፍልጠት ክትኰኑ ኣይፈቱን እየ። 2ኣረማውያን ከሎኹም፡ ናብቶም ዓባሳት ጣኦታት እናተመራሕኩም ከም እተሰሓብኩም፡ ትፈልጡ ኢኹም። 3ስለዚ ሓደ እኳ ብመንፈስ ኣምላኽ ዝዛረብ፡ የሱስ ርጉም እዩ ኸም ዘይብል፡ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሑ እንተ ዘይኰነ ኸኣ፡ የሱስ ጐይታ እዩ ኽብል ንሓደ እኳ ኸም ዘይኰነሉ፡ አፍልጠኩም ኣሎኹ።
4እምብኣርከ ውህበት በበይኑ እዩ፡ መንፈስ ግና ሓደ ንሱ እዩ። 5ኣገልግሎት በበይኑ እዩ፡ ጐይታ ግና ሓደ ንሱ እዩ። 6ግብሪ ሓይሊ ድማ በበይኑ እዩ፡ እቲ ኣብ ኲላቶም ኲሉ ዝገብር ኣምላኽ ግና ሓደ ንሱ እዩ። 7ግናኸ ንነፍሲ ወከፍ ምግላጽ መንፈስ ንጥቕሚ ይውሃቦ እዩ። 8ንሓደስ ቃል ጥበብ ብመንፈስ ይውሃቦ እዩ፡ ነቲ ሓደ ኸኣ ቃል ፍልጠት በቲ ሓደ መንፈስ፡ 9ንሓደ ግና እምነት በቲ ሓደ መንፈስ፡ ንሓደ ድማ በቲ ሓደ መንፈስ ናይ ምፍዋስ ውህበት ይውሃቦ፡ 10ንሓደ ኸኣ ግብሪ ሓይሊ ንምግባር፡ ንሓደ ትንቢት፡ ንሓደ ምልላይ መናፍስቲ፡ ንሓደ በብዓይነቱ ዘሎ ቛንቋታት፡ ነቲ ሓደ ኸኣ ምትርጓም ቋንቋታት ይውሃቦ። 11እዚ ዂሉ ኸኣ ንሱ እቲ ሓደ መንፈስ ከም ዝደልዮ ገይሩ ንነፍሲ ወከፍ ገግዲኡ እናመቐለ እዩ ዝገብሮ።
12ከምቲ ስጋ ሓደ ኽነሱስ፡ ብዙሕ ኣካላት ዘለዎ፡ ብዘሎ እቲ ኣካላት ስጋ ኸኣ፡ ብዙሕ ክነሱስ፡ ሓደ ስጋ ዝዀነ፡ ክርስቶስ ከኣ ከምኡ እዩ። 13ኣይሁድ ወይስ ጽርኣውያን፡ ባሮት ወይስ ጭዋታት እንተ ዀንና፡ ንሕና ዂላትና ሓደ ስጋ ምእንቲ ኽንከውንሲ፡ ብሓደ መንፈስ ተጠሚቕና ኢና እሞ፡ ሓደ መንፈስ ሰቴና። 14እቲ ስጋ ኸኣ ብዙሕ እምበር፡ ሓደ ኣካል ኣይኰነን እሞ፡ 15እግሪ፡ ኢድ ካብ ዘይኰንኩስ፡ ናይ ስጋ ኣይኰንኩን፡ እንተ በለ፡ በዚዶ ናይ ስጋ ምዃኑ ይተርፎ እዩ፧ 16እዝኒ ድማ፡ ዓይኒ ኻብ ዘይኰንኩስ፡ ናይ ስጋ ኣይኰንኩን፡ እንተ በለት፡ በዚዶ ናይ ስጋ ምዃና ይተርፍ እዩ፧ 17ብዘሎ እቲ ስጋ ዂሉ ዓይኒ እንተ ዝኸውን ደኣ፡ ምስማዕ ኣበይ ምተረኽበ፧ እቲ ስጋ ዂለንትናኡ ምስማዕ እንተ ዝኸውንከ፡ ምሽታት ኣበይ ምተረኸበ፧ 18ሕጂ ግና ኣምላኽ፡ ንሱ ኸም ዝደለዮ ገይሩ፡ ነቲ ኣካላት ንነፍሲ ወከፉ ኣብቲ ስጋ ሰርዖ። 19ኲሉ ኣካላት ሓደ ኣካል ጥራይ እንተ ዝኸውንከ፡ እቲ ስጋ ኣበይ ምሃለወ ፧ 20ሕጂ ግና ኣካላት ብዙሕ፡ እቲ ስጋ ግና ሓደ እዩ። 21ዓይኒ ንኢድ፡ ኣይደልየክን፡ ክትብላ ኣይከኣላን እዩ፡ ወይስ ርእሲ ድማ ነእጋር፡ ኣይደልየኩምን፡ ክትብሎም ኣይከኣላን እዩ። 22እቶም ድኹማት ዝመስሉ ኣካላት ስጋ እባ ግዳ እዮም ኣዝዮም ዝድለዩ። 23ነቲ ኣብ ስጋ ዘሎ ሕሱር ዝመስለና ኸኣ፡ ብዝበዝሕ ክብሪ ንኸድኖ፡ ንሕፍረትናውን ኣዚና ብኽብሪ ንኽውሎ። 24-25እቲ ኽቡር ኣካላትና ግና እዚ ኣየድልዮን እዩ። ግናኸ እቲ ኣካላት ንሓድሕዱ ሓደ ሓልዮ ኽህልዎ እምበር፡ ኣብቲ ስጋ ምፍልላይ ምእንቲ ኸይከውንሲ፡ ኣምላኽ ነቲ ኽብሪ ዝጐደሎ ኣካል ዝበዝሕ ክብሪ እናሃበ፡ ነቲ ስጋ ኣጋጠሞ። 26ሓደ ኣካል እንተ ተሰቀየ፡ ኲሉ ኣካላት ይስቀ፡ ሓደ ኣካል እንተ ኸበረ ኸኣ፡ ኲሉ ኣካላት ሓቢሩ እዩ ዝሕጐስ።
27እምብኣርከ ንስኻትኩም ስጋ ክርስቶስ ኢኹም፡ ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ በብኽፍሉ ኣካላቱ ኢኹም። 28ኣምላኽ ድማ ኣብ ማሕበር ቅድም ሃዋርያ፡ ካልኣይ ነብያት፡ ሳልሳይ መምህራን፡ ደሓር ገበርቲ ሓይልታት፡ ደሓር ውህበት ምፍዋስ፡ ምርዳእ ድኹማት፡ ምምራሕ፡ በበይኑ ቛንቋታት ሰርዐ። 29ኲላቶምዶ ሃዋርያት እዮም፧ ኲላቶምዶ ነብያት እዮም፧ ኲላቶምዶ መምህራን እዮም፧ ኲላቶምዶኸ ገበርቲ ተኣምራት እዮም፧ 30ኲላቶምዶ ውህበት ምፍዋስ ኣለዎም፧ ኲላቶምዶ ቛንቋታት ይዛረቡ እዮም፧ ኲላቶምዶኸ ይትርጒሙ እዮም፧ 31ነተን ዝዓበያ ውህበታት ደኣ ጽዓቱ። ሕጂ ኸኣ ዝበለጸ መገዲ ኽሕብረኩም እየ።
1ይ ቈረንቶስ ምዕራፍ 13
1ብቛንቋታት ሰብን መላእኽትን እንተ ዝዛረብ፡ ፍቕሪ ኻብ ዘይትህልወኒ፡ ከም ዘድሂ ኣስራዚ ወይስ ጭልጭል ከም ዝብል ጸናጽል ምዀንኩ። 2ትንቢት እንተ ዝህልወኒ፡ ኲሉ ምስጢራትን ኲሉ ፍልጠትን እንተ ዝፈልጥ፡ ኣኽራን ክሳዕ ዘግዕዝ ከኣ ኲሉ እምነት እንተ ዝህልወኒ፡ ፍቕሪ ኻብ ዘይትህልወኒ፡ ከንቱ ምዀንኩ ነይረ። 3ኲሉ ገንዘበይ ከኣ ንድኻታት እንተ ዝዕድል፡ ስጋይውን ንምንዳድ ኣሕሊፈ እንተ ዝህብ፡ ፍቕሪ ኻብ ዘይትህልወኒ፡ ሓንቲ እኳ ኣይጠቕመንን እዩ።
4ፍቕሪ ዓቃል እያ፡ ፍቕሪ ለዋህ እያ፡ ፍቕሪ ኣይትቐንእን፡ ፍቕሪ ኣይትጀሃርን ኣይትንፋሕን፡ 5ኣይተስተሓፍርን፡ ናታ ኣይትደልን፡ ኣይትምረርን፡ ኣይትቕየምን እያ፡ 6ብሓቂ ትሕጐስ እምበር፡ ብዓመጽ ባህ ኣይብላን። 7ኲሉ ትጸውር፡ ኲሉ ትኣምን፡ ኲሉ ተስፋ ትገብር፡ ኲሉ ትዕገስ።
8ፍቕሪ ከቶ ኣይተቋርጽን እያ። ትንቢት እንተሎ ንሱ ኽሰዓር፡ ምዝራብ ቛንቋታት እንተሎ ንሱ ኽውዳእ፡ ፍልጠት እንተሎውን ንሱ ኽሰዓር እዩ፡ 9ማለት፡ ሓደ ምቃል ንፈልጥ ኢና እሞ፡ ሓደ ምቃል ከኣ ንንበ። 10ግናኸ እቲ ምልኣት ምስ መጸ፡ እቲ ምቃል ክሰዓር እዩ። 11ቈልዓ ኸሎኹ፡ ከም ቈልዓ ተዛረብኩ፡ ልቢ ቘልዓ ነበረኒ፡ ከም ቈልዓ ሓሰብኩ። ሰብኣይ ምስ ኰንኩ ግና፡ እቲ ነገር ቈልዓ ሓደግኩ። 12ሕጂስ ብመረጸን ዋግዋጎ ንርኢ ኣሎና፡ ሽዑ ግና ገጽ ንገጽ ክንርኢ ኢና እሞ፡ ሕጂ ምቃል እፈልጥ ኣሎኹ፡ ሽዑ ግና ከምቲ ኣነ እተፈለጥኩ ኽፈልጥ እየ። 13ሕጂ ግና እምነት፡ ተስፋ፡ ፍቕሪ፡ እዘን ሰለስተ እዚኣተን ይነብራ፡ ካብዚኣተን እትዓቢ ግና ፍቕሪ እያ።
1ይ ቈረንቶስ ምዕራፍ 14
1ንፍቕሪ ስዓብዋ፡ ንመንፈሳዊ ውህበት፡ ምናዳ ግና ክትንበዩ ቕንኡ። 2እቲ ብቛንቋ ዝዛረብ ምስጢራት ብመንፈስ ይዛረብ ኣሎ፡ ሓደ እኳ ኣየስተውዕሎን እዩ እሞ፡ ንኣምላኽ እምበር፡ ንሰብ ኣይኰነን ዝዛረብ ዘሎ። 3እቲ ትንቢት ዝንበ ግና፡ ንሰብ ዝሃንጽን ዝምዕድን ዘጸናንዕን እዩ ዝዛረብ። 4ቋንቋታት ዝዛረብ ንርእሱ ይሃንጽ፡ ትንቢት ዝንበ ግና ንማሕበር እዩ ዝሃንጽ። 5ስለዚ ዂላትኩም ብቛንቋታት ክትዛረቡ፡ ምናዳ ግና ክትንበዩ እፈቱ ኣሎኹ። እታ ማሕበር ምእንቲ ኽትህነጽ፡ ዝትርጕም እንተ ዘይኰነስ፡ ካብቲ ብቛንቋታት ዝዛረብ እቲ ትንቢት ዝንበ ይዓቢ። 6ኣሕዋተየ፡ ሕጂ ግና ብቛንቋታት እናተዛረብኩ እንተ ዝመጸኩም እሞ ብራእይ፡ ወይ ብፍልጠት፡ ወይ ብትንቢት፡ ወይ ብምህሮ ገይረ እንተ ዘይተዛረብኩኹም፡ እንታይ ክጠቕመኩም እዩ፧ 7-8እቲ መለኸት ዘይፍለጥ ድምጺ እንተ ኣድሃየኸ፡ መን እዩ ንወግእ ዝስለፍ፧ እቲ ህይወት ዘይብሉ እሞ ድምጺ ዘድሂ ኸም እኒ እምብልታ ወይስ መሰንቆ ዘመሰለ ፍሉይ ቃናታት እንተ ዘየድሃየ፡ እቲ ብእምብልታ ወይስ ብመሰንቆ ዝቃነ ኸመይ ገይሩ ይፍለጥ፧ 9ከምኡ ኸኣ ንስኻትኩም በቲ ቛንቋታት ዘስትውዕል ጌርኩም እንተ ዘይተዛረብኩምከ፡ ምስ ንፋስ ከም እትዛረቡ ኢኹም እትዀኑ እሞ፡ እቲ እትብልዎ ኸመይ ኢሉ ኽፍለጥ እዩ፧ 10ኣብ ዓለም በበይኑ ዝዀነ ብዙሕ ቋንቋታት ኣሎ፡ ርግጽ ደሃይ ዘይብሉ ግና የልቦን። 11እምብኣርሲ ኣነ ሓሳብ እቲ ድምጺ ኻብ ዘይፈልጥ፡ ነቲ ዝዛረብ ከም ባርባር ክዀኖ እየ፡ እቲ ዝዛረብውን ንኣይ ከም ባርባር እዩ ዝዀነኒ። 12ከምኡ ድማ ንስኻትኩም ንመንፈሳዊ ውህበት እትቐንኡ ኻብ ኰንኩምሲ፡ ንምህናጽ ማሕበር ዕዙዛት ክትኰኑ ድለዩ። 13-14ብቛንቋ ጓና እንተ ጸሌኹ፡ መንፈሰይ እዩ ዝጽሊ፡ ኣእምሮይ ግና ብዘይ ፍረ እዩ፡ ስለዚ እቲ ብቛንቋ ዝዛረብ፡ ምትርጓሙ ምእንቲ ኽከኣሎ፡ ይጸሊ። 15እንታይ ደኣ እዩ፧ ብመንፈስ ክጽሊ፡ ግናኸ በእምሮይ ድማ ክጽሊ እየ፡ ብመንፈስ ክዝምር፡ ግናኸ በእምሮይውን ክዝምር ኣየ። 16እንተ ዘይኰነስ ብመንፈስ እንተ ባረኽካ፡ እቲ ኣብ ስፍራ እቲ ዘይተማህረ ተቐሚጡ ዘሎ ነቲ ንስኻ እትብሎ ኻብ ዘይፈልጦ፡ ከመይ ገይሩ ብምስጋናኻ ኣሜን ክብል ይከኣሎ፧ 17ንስኻስ ጽቡቕ ጌርካ ተመስግን ኣሎኻ፡ እቲ ኻልእ ግና ኣይተሃንጸን። 18ሓለፋ ዂላትኩም ቋንቋታት እዛረብ እየ እሞ ንኣምላኽ አመስግን ኣሎኹ። 19ግናኸ ንኻልኦትውን ምእንቲ ኽምህርሲ፡ ኣብ ማሕበር እልፊ ቃል ቋንቋ ካብ ዝዛረብ ሓሙሽተ ቃላት በእምሮ ክዛረብ እፈቱ ኣሎኹ።
20ኣሕዋተየ፡ በእምሮ ሰብኡት ኩኑ፡ ብኽፍኣት ደኣ ሕጻናት ኩኑ እምበር፡ ብዛዕባ ኣእምሮስ ቈልዑ ኣይትኹኑ። 21ኣብ ሕጊ፡ ነዚ ህዝቢ እዚ ብኻልእ ዝቛንቋኦም ሰባትን ብኸናፍር ጓኖትን ገይረ ኽዛረቦ እየ፡ ምስናይ እዚ እኳ ኣይኪሰምዑን እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ዝብል ጽሑፍ ኣሎ። 22ስለዚ ቛንቋታት ነቶም ዘይኣምኑ ምልክት እዩ እምበር፡ ነቶም ዝኣምኑ ኣይኰነን። ትንቢት ግና ነቶም ዝኣምኑ ምልክት እዩ እምበር፡ ነቶም ዘይኣምኑ ኣይኰነን። 23ደጊም ኩላ እታ ማሕበር ሓቢራ እንተ ተኣከበት፡ ኩላቶም ከኣ ብቛንቋታት እንተ ተዛረቡ እሞ ዘይምሁራት ወይስ ዘይኣምኑ ሰብ ኣብኡ እንተ ኣተዉ፡ ተጸሊሎምዶ ኣይብሉን እዮም፧ 24ግናኸ ኲላቶም እንተ ተነበዩ እሞ ሓደ ዘይኣምን ወይስ ዘይምሁር እንተ ኣተወ፡ ኲላቶም ይገንሕዎ፡ ኲላቶም ይፈርድዎ እዮም። 25እቲ ኣብ ልቡ እተሓብኤ ድማ ይግለጽ እሞ ከምኡውን ኣምላኽ ኣብ ማእከልኩም ከም ዘሎ እናነገረ፡ ብገጹ ተደፊኡ ንኣምላኽ ኪሰግድ እዩ።
26ኣሕዋተየ፡ እንታይ ደኣ እዩ፧ ክትእከቡ ኸሎኹም፡ ነፍሲ ወከፍኩም መዝሙር ኣለዎ፡ ምህሮ ኣለዎ፡ ራእይ ኣለዎ፡ ቋንቋ ኣለዎ፡ ትርጉም ኣለዎ፡ ኲሉ ንምህናጽ ይገበር። 27ብቛንቋ ዝዛረብ እንተሎ፡ ክልተ፡ እንተ በዝሑ ኸኣ ሰለስተ ይኹኑ እሞ በብተራ ይዛረቡ፡ ሓደ ኸኣ ይተርጒሞ። 28ተርጓሚ እንተ ዘይልቦ ግና፡ እቲ ብቛንቋ ዝዛረብ ኣብታ ማሕበር ስቕ ይበል፡ ንርእሱን ንኣምላኽን ግና ይዛረብ ደኣ። 29ነብያት ድማ ክልተ ወይስ ሰለስተ ዀይኖም ይዛረቡ፡ እቶም ካልኦትውን ይመርምሩ። 30ካብቶም ተቐሚጦም ዘለዉ ንሓደስ ራእይ እንተ ተገልጸሉ ግና፡ እቲ ቐዳማይ ስቕ ይበል። 31ኲላቶም ምእንቲ ኽምሃሩ ዂላቶምውን ክምዓዱስ፡ ኲላትኩም በብሓደ ኽትንበዪ ይከኣለኩም እዩ። 32-33ኣምላኽሲ ናይ ሰላም እምበር፡ ናይ ዝርግርግ ኣምላኽ ኣይኰነን እሞ፡ እቶም መናፍስቲ ነብያት ነቶም ነብያት ይግዝእዎም እዮም።
34ከምቲ ኣብ ኲላተን ማሕበራት ቅዱሳን ዝግበር ዘሎ፡ ኣንስቲ ኣብ ማሕበር ኪዛረባ ኣይተፈቕደለንን እዩ እሞ፡ ስቕ ይበላ። ከምቲ ሕጊ ዝብሎ ድማ ይገዝኣ። 35ንሰበይቲ ኣብ ማሕበር ምዝራብ ነውሪ እዩ እሞ፡ ገለ ኺምሃራ እንተ ደለያ፡ ኣብ ቤት ንሰብኡተን ይሕተታ። 36ወይስ ቃል ኣምላኽዶ ኻባኻትኩም እዩ ዝወጸ፧ ወይስ ኣባኻትኩም ጥራይ ድዩ ዝበጽሐ፧
37ሓደ ንሱ ንርእሱ ነብዪ ወይስ መንፈሳዊ ኸም ዝዀነ እንተ መሰሎ፡ እዚ ዝጽሕፈልኩም ዘሎኹ ናይ እግዚኣብሄር ትእዛዛት ምዃኑ ይፍለጥ። 38እቲ ኽፈልጦ ዘይደሊ ግና፡ ኣይፍለጦ።
39ኣሕዋተየ፡ ስለዚ ኽትንበዩ ሃረር በሉ፡ ብቛንቋታት ምዝራብ ድማ ኣይትኸልከሉ። 40ግናኸ ኲሉ ብስርዓትን በጋባብን ይኹን።
1ይ ቈረንቶስ ምዕራፍ 15
1-2ኣሕዋተየ፡ ንኸንቱ ኣሚንኩም እንተ ዘይኰንኩም፡ ከምቲ ኣነ ዝሰበኽክዎ ጌርኩም ሒዝኩምዎ እንተ ኣሊኹምሲ፡ እቲ ዝሰበኽኹልኩምን እተቐበልኩምዎን ኣብኡ ጸኒዕኩም ዘሎኹምን ብእኡውን እትድሕኑሉን ወንጌል አፍልጠኩም ኣሎኹ። 3እቲ ኣነ እተቐበልክዎ ቕድሚ ዂሉ ነጊረኩም እየ፡ ከምቲ እቶም ጽሑፋት ዝብልዎ፡ ክርስቶስ ምእንቲ ሓጢኣትና ሞተ፡ 4ተቐብረ ኸኣ፡ ከምቲ እቶም ጽሑፋት ዝብልዎ፡ ብሳልሰይቲ መዓልቲውን ተንስኤ፡ 5ንኬፋ፡ ደሓርውን ነቶም ዓሰርተው ክልተ ተራእየ፡ 6ድሕሪኡ፡ ዝበዝሑ ኻባታቶም ክሳዕ ሎሚ ዘለዉ፡ ገሊኣቶም ግና ደቂሶም ዘለዉ፡ ካብ ሓሙሽተ ሚእቲ ንዝበዝሑ ኣሕዋት ብሓንሳእ ተራእየ። 7ድሕሪኡ ንያእቆብ፡ ድሕሪኡ ኸኣ ንዂላቶም ሃዋርያት ተራእየ። 8ድሕሪ ዂላቶም ድማ ንኣይ፡ ቍላዕ ንዝመስል፡ ተራእየኒ። 9ኣነስ ነታ ማሕበር ኣምላኽ ስለ ዝሰጐጒክዋ፡ ምንኣስ ኲላቶም ሃዋርያት እየ እሞ ሃዋርያ ኽስመ ብቑዕ ኣይኰንኩን። 10እቲ ዘሎኽዎ ግና ብጸጋ ኣምላኽ እየ ዘሎኹ። ካብ ኲላቶም ዝበዝሕ ደኣ ጸዓርኩ እምበር፡ እቲ ንኣይ እተዋህበ ጸጋኡ ኸንቱ ኣይኰነን። እቲ ምሳይ ዘሎ ጻጋ ኣምላኽ ደኣ እዩ እምበር፡ ኣነ ኣይኰንኩን። 11እምብኣርሲ ኣነ እንተ ዀንኩ፡ ንሳቶም እንተ ዀኑ፡ ከምዚ ጌርና ንሰብኽ ኣሎና፡ ንስኻትኩምውን ከምኡ ኣመንኩም።
12ክርስቶስ ካብ ምዉታት ከም ዝተንስኤ ኻብ ዝስበኽ ደኣ፡ ከመይ ኢሎም እዮም ሓያሎ ኻባኻትኩም፡ ትንሳኤ ምዉታት የልቦን፡ ዝብሉ ዘለዉ፧ 13ትንሳኤ ምዉታት ዘየልቦ እንተ ዀይኑስ፡ ክርስቶስ ድማ ኣይተንስኤን። 14ክርስቶስ ዘይተንስኤ እንተ ዀይኑስ፡ እምብኣርከ ስብከትና ኸንቱ እዩ፡ እምነትኩምውን ከንቱ እያ። 15ኣምላኽ ንክርስቶስ ኣተንሲእዎ ኢልና መስኪርና ኢና እሞ፡ ንክርስቶስ ዘየተንስኦ እንተ ዀይኑስ፡ ምዉታትውን እንተ ዘይትንስኡ፡ ንሕና ሓሰውቲ ምስክር ኣምላኽ ኴንና ንርከብ ኢና። 16ምዉታት እንተ ዘይትንስኡስ፡ ክርስቶስውን ኣይተንስኤን እሞ፡ 17ክርስቶስ ዘይተንስኤ እንተ ዀይኑስ፡ እምነትኩም ከንቱ እያ፡ ንስኻትኩም ገና ኣብ ሓጢኣትኩም ኣሎኹም። 18እምብኣርሲ እቶም ብክርስቶስ ዝደቀሱ ድማ ጥፉኣት እዮም። 19ኣብዛ ህይወት እዚኣ ጥራይ ብክርስቶስ ተስፋ እንተ ገበርናስ፡ ካብ ኲሉ እነደንግጽ ምዀንና ኔርና።
20ሕጂ ግና ክርስቶስ፡ በዂሪ እቶም ዝደቀሱ ዀይኑ፡ ካብ ምዉታት ተንስኤ። 21ስለዚ ኽምቲ ሞት ብሓደ ሰብ ዝመጸ፡ ከምኡ ኸኣ ትንሳኤ ምውታት ብሓደ ሰብ እዩ ዝመጸ። 22ከምቲ ኹላቶም ብኣዳም ዝሞቱ፡ ከምኡ ድማ ኩላቶም ብክርስቶስ ህያዋን ክኾኑ እዮም። 23ግናኸ ነፍሲ ወከፍ በብስርዓቱ እዩ፡ ክርስቶስ ከም ቦኽሪ፡ ደሓር እቶም ናይ ክርስቶስ ዘበሉ ብምጽኣቱ። 24-25ክርስቶስ ነቶም ጸላእቱ ዘበሉ ትሕቲ ኣእጋሩ ክሳዕ ዝገብሮም፡ ክነግስ ይግብኦ እዩ እሞ፡ ኩሉ ሽመትን ስልጣንን ሓይልን ምስ ሰዓረ፡ እታ መንግስቲ ንእግዚኣብሄር ኣቦ ምስ ወፈየ፡ ሽዑ እዩ መወዳእታ ዝኸውን። 26እቲ ኣብ መወዳእታ ዝስዓር ጸላኢውን ሞት እዩ። 27ኣምላኽ፡ ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩ ኹሉ ኣግዝኦ እሞ፡ ኩሉ ተገዝኤ፡ ክብል ከሎ፡ ብዘይ እቲ ኹሉ ንእኡ ዘግዝኦ ኸም ዝኾነ፡ ግሁድ እዩ። 28ኩሉ ምስ ተገዝኦ ግና፡ ኣምላኽውን ኩሉ ኣብ ኩሉ ምእንቲ ክኸውን፡ ሽዑ እቲ ወዲ ባዕሉ ነቲ ኹሉ ዘግዝኦ ኽግዛእ እዩ።
29እንተ ዘይኮነስ፡ እቶም ኣብ ክንዲ ምውታት ዝጥመቑ ደኣ እንታይ ይገብሩ ኣለው፡ ብሱሩ ምውታት ዘይትንስኡ እንተ ኾይኖምሲ፡ ንምንታይ ደኣ ዝጥመቑሎም፡ 30ስለምንታይ ድኣ ንሕናኸ ኹሉ ግዜ ኣብ ፍርሃት እንኣቱ፡ 31ኣሕዋተየ፡ ኣነ በቲ ብክርስቶስ የሱስ ጐይታና ኣባኻትኩም ዘሎኒ ትምክሕቲ ኣብ ጸጽባሕ እመውት ኣሎኹ። 32ኣነ ኸም ግእዚ ሰብ ኣብ ኤፌሶን ምስ ኣራዊት እንተ ገጠምኩ፡ እንታይ ጥቕሚ ኣሎኒ፧ ምዉታት ዘይትንስኡ እንተ ዀኑስ፡ ጽባሕ ክንመውት ኢና እሞ፡ ንብላዕን ንስተን። 33ኣይትታለሉ፡ ሕማቕ ዕርክነት ንጽቡቕ ልማድ የጥፍኦ እዩ። 34ገሊኣቶም ፍልጠት ኣምላኽ የብሎምን እሞ፡ ንቕንዕና ተባራበሩ ሓጢኣትውን ኣይትግበሩ። እዚ ምእንቲ ኽትሓፍሩ ኢለ እየ ዝብሎ ዘሎኹ።
35ገለ ግና፡ ምዉታት ከመይ ኢሎም እዮም ዝትንስኡ፧ ብኸመይ ዝበለ ስጋኸ እዮም ዝመጹ፧ ዝብል ይህሉ። 36ኣታ ዓሻ፡ እቲ ንስኻ እትዘርኦ ኸይሞተ ህይወት ኣይረክብን እዩ። 37እቲ እትዘርኦ ድማ ናይ ስርናይ ወይስ ናይ ካልእ ዓይነት ፍረ ጥራይ እዩ እምበር፡ እቲ ስጋ ዝኸውን ኣይኰነን እትዘርኦ ዘሎኻ። 38ኣምላኽ ግና ከም ዝደለየ ገይሩ እዩ ስጋ ዝህቦ። ንነፍሲ ወከፍ ዘርኢውን ሰስጋኡ ይህቦ። 39ስጋ ሰብ በይኑ፡ ስጋ እንስሳ በይኑ፡ ስጋ ኣዕዋፍ በይኑ፡ ስጋ ዓሳውን በይኑ ደኣ እዩ እምበር፡ ኲሉ ስጋስ ሓደ ዓይነት ስጋ ኣይኰነን። 40ሰማያዊ ስጋ ድማ ኣሎ፡ ምድራዊ ስጋ ኸኣ ኣሎ፡ ግናኸ ክብሪ እቶም ሰማያውያን በይኑ፡ ክብሪ እቶም ምድራውያንውን በይኑ እዩ። 41ብኽብርስ ኰዀብ እኳ ኻብ ኰዀብ ይበልጽ እዩ እሞ፡ ክብሪ ጸሓይ በይኑ፡ ክብሪ ወርሒ በይኑ፡ ክብሪ ኸዋኽብቲውን በይኑ እዩ። 42ትንሳኤ ምዉታትውን ከምኡ እዩ፡ ብዝሓልፍ ይዝራእ፡ ብዘይሓልፍ ከኣ ይትንስእ። 43ብውርደት ይዝራእ፡ ብኽብሪ ይትንስእ። ብድኻም ይዝራእ፡ ብሓይሊ ይትንስእ። 44ነፍሳዊ ስጋ ይዝራእ፡ መንፈሳዊ ስጋ ይትንስእ። ነፍሳዊ ስጋ ኻብ ዝህሉ፡ መንፈሳዊ ስጋውን ኣሎ። 45ከምኡ ድማ፡ እቲ ቐዳማይ ሰብ፡ ኣዳም፡ ህያው ነፍሲ ዀነ፡ ዝብል ጽሑፍ እዩ፡ እቲ ዳሕራይ ኣዳም ህያው ዝገብር መንፈስ ኰነ። 46ግናኸ ቅድም እቲ ነፍሳዊ እዩ እምበር፡ እቲ መንፈሳዊ ኣይኰነን፡ ደሓር እቲ መንፈሳዊ እዩ። 47እቲ ቐዳማይ ሰብ ካብ ምድሪ ዀይኑ መሬታዊ እዩ፡ እቲ ኻልኣይ ሰብ ግና ካብ ሰማይ እዩ። 48ከምቲ መሬታዊ ኸምኡ ኸኣ እቶም መሬታውያን እዮም፡ ከምቲ ሰማያዊ ድማ ከምኡውን እቶም ሰማያውያን እዮም። 49ከምቲ ምስሊ እቲ መሬታዊ ዝለበሰና፡ ምስሊ እቲ ሰማያዊ ድማ ክንለብስ ኢና።
50ግናኸ፡ ኣሕዋተየ፡ ስጋን ደምን መንግስቲ ኣምላኽ ክወርስ ከም ዘይከኣሎ፡ እቲ ሓላፊ ድማ ነቲ ዘይሓልፍ ከም ዘይወርሶ፡ እብለኩም ኣሎኹ። 51እንሆ፡ ምስጢር እነግረኩም ኣሎኹ፡ ኲላትና ኽንልወጥ እምበር፡ ኲላትና ኣይክንድቅስን ኢና፡ 52ብሓንሳእ፡ ብቕጽበት ዓይኒ፡ በቲ ናይ ድሕሪ ዂሉ መለኸት፡ እቲ መለኸት ክንፋሕ እዩ እሞ፡ እቶም ምዉታት ድማ ብዘይሓልፍ ክትንስኡ እዮም፡ ንሕናውን ክንልወጥ ኢና። 53ማለት፡ እዚ ሓላፊ ዘይሓልፍ ክለብስ ይግብኦ እዩ እሞ፡ እዚ መዋቲ ኸኣ ዘይመውት ክለብስ እዩ። 54እዚ ሓላፊ ዘይሓልፍ ምስ ለበሰ፡ እዚ መዋቲውን ዘይመውት ምስ ለበሰ፡ ሽዑ እቲ ጽሑፍ፡ ሞት ብዓወት ተዋሕጠ፡ ዝበሎ ቓል ክፍጸም እዩ። 55ዎ ሞት፡ ኣበይ ኣሎ ብልሕኻ፧ ኣታ ሲኦልከ፡ ኣበይ ኣሎ ዓወትካ፧ 56ብልሒ ሞት ሓጢኣት እዩ፡ ሓይሊ ሓጢኣትውን ሕጊ እዩ። 57ግናኸ ነቲ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ገይሩ ዓወት ዝስህበና ኣምላኽ ስብሓት ይኹኖ። 58ስለዚ፡ ፍቁራት ኣሕዋተየ፡ ጻዕርኹም ብጐይታ ኸንቱ ኸም ዘይኰነ ፈሊጥኩም፡ ብዕዮ ጐይታ ጽኑዓት፡ ዘይትናቓነቑ፡ ኲሉ ግዜ ዕዙዛት ኩኑ።
1ይ ቈረንቶስ ምዕራፍ 16
1ብዛዕባ እቲ ነቶም ቅዱሳን ክኸውን ዝዋጻእ ገንዘብ ግና፡ ከምቲ ንማሕበር ገላትያ ዝሰራዕክዎ፡ ንስኻትኩምውን ከምኡ ግበሩ። 2ኣነ ምስ መጻእኩ፡ ምውጻእ ገንዘብ ሽዑ ምእንቲ ኸይከውን፡ ኣብ ሰሰሙን በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ነፍሲ ወከፍኩም ከከም ዓቕሙ ኣዋህሊሉ ምስኡ የቐምጥ። 3ኣነ ምስ መጻእኩ ድማ። እቲ ህያብ ልግስኹም ናብ የሩሳሌም ምእንቲ ኸብጽሕ፡ ነቶም ግቡኣት ኰይኖም እተራእዩኹም ሰባት፡ ደብዳበ ኣትሒዘ ኽሰዶም እየ። 4ኣነውን ክኸይድ ዘድሊ እንተ ዀነ፡ ምሳይ ይኸዱ። 5ብመቄዶንያ ኽሓልፍ እየ እሞ፡ ብመቄዶንያ ምስ ሓለፍኩ፡ ናባኻትኩም ክመጽእ እየ። 6ናብቲ ክኸዶ ዝደሊ ምእንቲ ኸተሰንዩኒ፡ ምናልባሽ ምሳኻትኩም እጸንሕ ወይስ እኸርም እኸውን እየ። 7እግዚኣብሄር እንተ ፈቐዶ፡ ገለ ግዜ ምሳኻትኩም ክጸንሕ ተስፋ እገብር ኣሎኹ እሞ፡ ሕጅስ ከም ሓላፍ መገዲ ዀይነ ኽርእየኩም ኣይፈቱን እየ። 8-9ዓብይን ብርቱዕን ደገ ተኸፊቱለይ ኣሎ፡ ተጻረርቲ ኸኣ ብዙሓት እዮም እሞ፡ ክሳዕ በዓላት ሓምሳ ኣብ ኤፌሶን ክጸንሕ እየ።
10ጢሞቴዎስ እንተ መጸ ግና፡ ከምዚ ኸማይ ዕዮ ጐይታ ይዓዪ እዩ እሞ፡ ምሳኻትኩም ብዘይ ፍርሃት ክኸውን ተጠንቀቑሉ። 11ምስቶም ኣሕዋቱ እጽበዮ ኣሎኹ እሞ፡ ናባይ ምእንቲ ኽመጽእ፡ ብሰላም ኣፋንውዎ፡ ሓደ እኳ ኣይንዓቆ። 12ግናኸ ብዛዕባ ኣጵሎስ ሓውና ምስቶም ኣሕዋት ናባኻትኩም ኽመጽእ ብዙሕ ምዒደዮ እሞ፡ ሕጂ ኽመጽእ ከቶ ፍቓድ የብሉን፡ ምስ ጠዓሞ ግና ኽመጽእ እዩ።
13ንቕሑ፡ ኣብ እምነት ጽንዑ፡ ሰብኡት ኩኑ፡ በርትዑ። 14ኲሉ ግብርኹም ብፍቕሪ ይገበር።
15-16ኣሕዋተየ፡ ቤት እስጢፋኖስ እታ በዂሪ ኣካይያ ኸም ዝዀነት፡ ነፍሶምውን ንምግልጋል ቅዱሳን ከም ዝመደቡ፡ ትፈልጡ ኢኹም፡ ንስኻትኩም ከኣ ነዞም ከምዚኣቶም ዝበሉን ነቶም ምሳና ዝዓዩን ዝጽዕሩን ዘበሉ ኽትእዘዝዎም፡ እልምነኩም ኣሎኹ። 17ብምምጻእ እስጢፋኖስን ፈርጡናጦስን ኣካይቆስን ከኣ፡ ነቲ ኻባኻትኩም ዝጐደለ ንሳቶም መሊኦምዎ ኣለዉ እሞ፡ ባህ ይብለኒ ኣሎ። 18ንመንፈሰይን መንፈስኩምን ኣቕሲኖም እዮም እሞ፡ ነዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ ሰባት ፍለጥዎም።
19እተን ማሕበራት እስያ ሰላም ይብላኹም ኣለዋ። ኣኪላስን ጵርስኪላን ምስታ ኣብ ቤቶም ዘላ ማሕበር ኰይኖም፡ ብጐይታ ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ። 20ኲላቶም እቶም ኣሕዋት ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ። ብቕዱስ ምስዕዓም ንሓድሕድኩም ሰላም ተባሃሃሉ።
21እዛ ሰላምታ እዚኣ ኣነ ጳውሎስ ባዕለይ ብኢደይ ዝጸሓፍክዋ እያ። 22ንጐይታና ዘየፍቅሮ እንተሎ፡ ንሱ ርጉም ይኹን። ማራን ኣታ። 23ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምሳኻትኩም ይኹን። 24ብክርስቶስ የሱስ ፍቕረይ ምስ ኲላትኩም ይኹን። ኣሜን።