መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ቲቶስ


1  2  3

         ቲቶስ  ምዕራፍ 1
   1ጳውሎስ፡ ባርያ ኣምላኽን ሃዋርያ የሱስ ክርስቶስን፡ ብእምነት ሕሩያት ኣምላኽ ብፍልጠት ሓቂውን ምስ ኣምልኾ፡2በታ እቲ ዘይሕሱ ኣምላኽ ቅድሚ ዘመናት ዘለኣለም ዘተስፈዋ ተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት፡3ግናኸ ብትእዛዝ ኣምላኽ መድሓኒና በቲ ንኣይ ሕድሪ ዝሃበኒ ስብከት ገይሩ ብግዜኡ ንቓሉ ገለጾ፡4ናብ ቲቶስ፡ ብሕብረት እምነት ናይ ሓቂ ወደይ። ካብ እግዚኣብሄር ኣቦን ካብ ጐይታና መድሓኒና የሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ምሳኻ ይኹን።
   5ከምቲ ኣነ ዝኣዘዝኩኻ ጌርካ ዝተረፈ ምእንቲ ኽትሰርዕ፡ ኣብ ከከተማኡውን ሽማግለታት ክትሸይም፡ በዚ ምኽንያት እዚ እየ ኣብ ቅሬጥስ ዝሓደግኩኻ፡6-8እቲ ኤጶስቆጶስ ከኣ መንቅብ ዘይብሉ፡ ሰብኣይ ሓንቲ ሰበይቲ፡ ብርኽሰት ወይስ ብዘይ ምእዛዝ ዘይሕመዩ ኣመንቲ ውሉድ ዘለውዎ፡ ተቐባል ጋሻ፡ ሰናይ ዝፈቱ፡ ለባም፡ ቅኑዕ፡ ቅዱስ፡ ይኣኽለኒ በሃሊ፡ መንቅብ ዘይብሉ፡ ከም ናይ ኣምላኽ መጋቢ እምበር፡ ፈታው ርእሱ ዘይኰነ፡ ዘይኵሪ፡ ናብ መስተ ዘየድህብ፡ ዘይዋቓዕ፡ ርኹስ ረብሓ ዘይደሊ ሰብ ክኸውን ይግባእ።9ንሱ በቲ ጥዑይ ትምህርቲ ምእንቲ ኽምዕድ፡ ነቶም ተቓናቐንቲውን ምግናሖም ምእንቲ ኽከኣሎስ፡ በቲ እሙን ቃል ምህሮ ይጽናዕ።
   10ብዙሓት ዘይእዘዙ ተዛረብቲ ሃተውተውን መስሓትትን ኣለዉ፡ እዚኣቶም ምናዳ ኻብ ሰብ ግዝረት እዮም።11ንሳቶም ርኹስ ረብሓ ምእንቲ ክረኽቡ ኢሎም፡ ዘይግባእ እናመሃሩ፡ ንብዘሎ ኣባይቲ ዝገላባብጡ፡ ምዕባስ ኣፎም ግቡእ እዩ።12ሓደ ኻባታቶም፡ ናታቶም ነብዪ፡ ሰብ ቅሬጥስ ኵሉ ሳዕ ሓሰውቲ፡ እኩያት ኣራዊት፡ ሃካያት ኣኽብዲ እዮም፡ በለ።13-14እዚ ምስክር እዚ ሓቂ እዩ። ስለዚ ብእምነት ምእንቲ ኽጥዕዩ፡ ናብ ጽውጽዋያት ኣይሁድን ናብ ትእዛዛት እቶም ካብ ሓቂ ዝዘምበሉ ሰባትን ከየቕልቡ፡ ኣሕሚምካ ግንሓዮም።15ነቶም ንጹሃትን ብዘሎ ኹሉ ንጹህ እዩ፡ ነቶም ርኹሳትን ዘይኣምኑን ግና፡ እቲ ኣእምሮኦምን ሕልናኦምን ርኹስ እዩ እምበር፡ ከቶ ንጹህ የብሎምን።16ንኣምላኽ ከም ዝፈልጥዎ ባዕሎም ይብሉ፡ ፍንፉናትን ዘይእዘዙን ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ዅሉ ዘይጠቕሙን ብምዃኖም ግና በቲ ግብሮም ይኽሕድዎ ኣለዉ።
        ቲቶስ  ምዕራፍ 2
    1ንስኻ ግና ነቲ ጥዑይ ትምህርቲ ኸም ዝግባእ ጌርካ ንገር፡2እቶም ኣረገውቲ ሰብኡት ጥንቁቓት፡ ረዘንቲ፡ ለባማት፡ ብእምነት፡ ብፍቕሪ፡ ብትዕግስቲ ጥዑያት ክዀኑ፡3እተን ኣረገውቲ ኣንስቲውን ከምኡ ንንብረት ቅድስና ኸም ዝግባእ፡ ዘይሓመይቲ፡ ብዙሕ ወይኒ ንምስታይ ባሮት ዘይኰና፡ መሃርቲ ሰናይ ክዀና፡4-5ነተን ናእሽቱ ኣንስቲ ኸኣ፡ እቲ ቓል ኣምላኽ ምእንቲ ኸይጽረፍሲ፡ ንሰብኡተንን ውሉደንን ከፍቅራ፡ ነፍሰን ዝቐጽዓ ንጹሃት፡ ቤተን ዝኣልያ፡ ሕያዎት፡ ንሰብኡተን ዝእዘዛ ክዀና ኸለብምአን ምዓደን።6ነጕባዝውን ከምኡ ለባማት ክዀኑ ምዓዶም።7-8ካብቶም ተቓናቐንቲ ሓደ እኳ ብዛዕባና ዝብሎ ክፉእ ነገር ስኢኑ ምእንቲ ኽሓፍርሲ፡ ብንጹህ ትምህርቲ፡ ብምርዛን፡ መንቅብ ብዘይብሉ ጥዑይ ዘረባ፡ ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ርእሰኻ ኣርኣያ ግበር።9-10ንግዙኣት፡ ነቲ ትምህርቲ እግዚኣብሄር መድሓኒና ምእንቲ ኽስልምዎ፡ ብዅሉ ደኣ ሕያወይቲ እምነት ከርእዩ እምበር፡ መደሃሃቕቲ ኸይኰኑ፡ ንጐይተቶም ዝግዝኡ፡ ዳርጋዳርጋ ዘይመልሱ፡ ብዅሉ ባህ ዘብሉ ክዀኑ፡ ምዓዶም።
   11ጸጋ ኣምላኽ ተገሊጹ እዩ እሞ፡ ንዅሉ ሰብውን ምድሓን ኣምጺኡ፡12-13እቲ ብሩኽ ተስፋን ናይቲ ዕዙዝ ኣምላኽናን መድሓኒና የሱስ ክርስቶስን ምግላጽ ክብሪ እናተጸበና፡ ግፍዕን ዓለማዊ ትምኒትን ክሒድና፡ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ብጥንቃቐን ብጽድቅን በምልኾን ክንነብር ይምህረና ኣሎ።14የሱስ ክርስቶስ ካብ ዓመጻ ዘበለ ምእንቲ ሓራ ኸውጽኣና፡ ንርእሱውን ንሰናይ ግብሪ ዝቐንእን ገንዘቡ ዝዀኖን ህዝቢ ምእንቲ ኸንጽህ ኢሉ፡ ነፍሱ በጃና ኣሕለፈ።
   15እዚ ብዅሉ ስልጣን ንገርን ምዓድን ግናሕን። ሓደ እኳ ኣይንዓቕካ።
        ቲቶስ  ምዕራፍ 3
   1ንሓላቑን ንስልጣናትን ክግዝኡ፡ ንመራሕቶም ክእዘዙ፡ ንሰናይ ግብሪ ዘበለ እተዳለዉ ክዀኑ፡2ንሓደ እኳ ኸይጸርፉ፡ ተባኣስቲ ኸይኰኑ፡ ልኡማት፡ ለውሃት ዘበለ ንዅሉ ሰብ ዘርእዩ ክዀኑ ኣዘክሮም።3ንሕናውን ቀደምሲ ዓያሱ፡ ዘይእዙዛት፡ ግጉያት፡ ንብዙሕ ፍትወት ስጋን ትምኒትን እተገዛእና፡ ብኽፍኣትን ቅንኣትን እንነብር ፍንፉናት፡ ንሓድሕድና እንጻላእ ነበርና።4እቲ ናይ መድሓኒና፡ ናይ ኣምላኽ ሕያውነትን ፍቕሩ ንሰብን ምስ ተገልጸ ግና፡5ንሱ ብምሕረት ብምሕጻብ ሓድሽ ልደትን ብምሕዳስ መንፈስ ቅዱስን እዩ ዘድሓነና እምበር፡ ንሕና ብዝገበርናዮ ግብሪ ጽድቂ ኣይኰነን።6-7ብጸጋኡ ጸዲቕና፡ ብተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት ወረስቲ ምእንቲ ኽንከውንሲ፡ ብመድሓኒና የሱስ ክርስቶስ ገይሩ ንመንፈስ ቅዱስ ኣብ ልዕሌና ኣብዚሑ ኣፍሰሶ።
   8እዚ ቓልዚ እሙን እዩ፡ ነቶም ብኣምላኽ ዝኣመኑ፡ ሰናይ ግብሪ ንምግባር ምእንቲ ክቐንኡ፡ በዚ ኣጸቢቕካ ኸተረድኦም እደሊ ኣሎኹ። እዚ ጽቡቕን ንሰብ ዝጠቅምን እዩ።9ናይ ዕሽነት ክርክርን ቍጽሪ ወለዶታትን ብናይ ሕጊ ጫውጫውን ባእስን ግና ዘይጠቅምን ከንቱን እዩ እሞ፡ ኣግልሰሉ።10-11ነቲ ሻረኛ፡ እቲ ኸምዚ ዘመሰለ ጥፉእ ምዃኑ ባዕሉ ንርእሱ ዀኒኑውን ሓጢኣት ምግባሩ ፈሊጥካ፡ ሓደ ሳዕን ካልኣይ ሳዕን ምስ መዓድካዮ፡ ኣርሕቆ።
   12ኣብ ኒቆጶሊስ ክኸርም መዲበዮ ኣሎኹ እሞ፡ ኣርጢማስ ወይስ ጥኪቆስ ምስ ለኣኽኩልካ፡ ቀልጢፍካ ናባይ ምጻእ።13ንዜናስ ፈላጥ ሕግን ንኣጵሎስን ገለ ነገር እኳ ኸይጐድሎም ኣጸቢቕካ ኣፋንዎም።14እቶም ናትናውን ብዘይ ፍረ ኸይኰኑ፡ ነቲ ብግዲ ዘድሊ ነገር ሰናይ ግብሪ ኽገብሩ ይምሃሩ።
   15ምሳይ ዘለዉ ዅሎም ሰላም ይብሉኻ ኣለዉ። ነቶም ብእምነት ዘፍቅሩና ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ በለልና።
   ጸጋ ምስ ኵላትኩም ይኹን። ኣሜን።

Leave a Reply

መጽሓፍ ቅዱስ ትግርኛ
ብሉይን ሓድሽን ኪዳን
ብሉይ ኪዳን
ሓድሽ ኪዳን
መጽሓፍ ቅዱስ ትግርኛ
ብሉይን ሓድሽን ኪዳን

ብሉይ ኪዳን

ሓድሽ ኪዳን