ኦሪት ዘሌዋውያን
1 2 3 4 5 6 7 8 9
10 11 12 13 14 15
16 17 18 19 20 21
22 23 24 25
26 27
ዘሌዋውያን ምዕራፍ 1
1እግዚኣብሄር ንሙሴ ጸውዖ፡ ካብቲ ድንኳን ምርኻብ ድማ ከምዚ ኢሉ ተዛረቦ፥ 2ንደቂ እስራኤል ተዛረቦም በሎም ከኣ፥ ካባኻትኩም ሰብ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ምስ ዘቕርብ፡ መስዋእትኹም ካብ ማል፡ ካብ ኣሓን ካብ ጤለበጊዕን ኣቕርቡ። 3እቲ ዝሓርር መስዋእቲ ኻብ ኣሓ እንተዀነ፡ ጐደሎ ዘይብሉ ተባዕታይ የቕርብ፡ እሞ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ፍትዊ ክኸውን፡ ናብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ የቕርቦ። 4ኣብ ርእሲ እቲ ዝሓርር መስዋእቲ ኢዱ የንብር እሞ ንምትዕራቑ ቕቡል ይኸውን። 5ነቲ ዝራብዕ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይሕረዶ፡ ነቲ ደሙ ኸኣ ደቂ ኣሮን፡ እቶም ካህናት፡ የቕርብዎ፡ ነቲ ደም ድማ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ዘሎ መሰውኢ ኣብ ዙርያኡ ይንጸግዎ። 6ነቲ ዝሓርር መስዋእቲ፡ ቈርበቱ ጠቢሑ፡ በብኽፍሉ ይቑረጾ። 7ደቂ ኣሮን፡ እቲ ኻህን ድማ ኣብ መሰውኢ ሓዊ ይእጐዱ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ሓዊ ኸኣ ዕጨይቲ ይጸፍጽፉ። 8እቶም ካህናት፡ ደቂ ኣሮን ድማ ነቲ ኽፍልታት፡ ርእስን ስብሕን፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ መሰውኢ፡ ኣብ ልዕሊ ሓዊ ዘሎ ዕጨይቲ ይሰርዕዎ። 9ነቲ ናውቲ ኸብዱን ኣእጋሩን ግና ብማይ ይሕጸቦ እሞ እቲ ኻህን ንዂሉ ንዝሓርር መስዋእቲ፡ ንመስዋእቲ ሓዊ፡ ንእግዚኣብሄር ንጥዑም ጨና ኣብቲ መሰውኢ የሕርሮ። 10እቲ መስዋእቲ ኻብ ጤለበጊዕ እንተ ደኣ ዀይኑ፡ ካብ ኣባጊዕ ወይ ካብ ኣጣል፡ ጐደሎ ዘይብሉ ተባዕታይ ንዝሓርር መስዋእቲ የቕርቦ። 11ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፡ ንመሰውኢ ብሸነኽ ሰሜኑ፡ ይሕረዶ። እቶም ካህናት፡ ደቂ ኣሮን ድማ ነቲ ደሙ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ ኣብ ዙርያኡ ይንጸግዎ። 12በብኽፍሉ ምስ ርእስን ስብሑን ይቑረጾ፡ እቲ ኻህን ከኣ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ መሰውኢ ኣብ ልዕሊ ሓዊ ዘሎ ዕጨይቲ ይስርዓዮ። 13ነቲ ናውቲ ኸብዱን ኣእጋሩን ግና ብማይ ይሕጸቦ፡ እቲ ኻህን ድማ ንዂሉ የቕርቦ፡ ኣብ መሰውኢ ኸኣ የሕርሮ። እዚ ዝሓርር መስዋእቲ። መስዋእቲ ሓዊ፡ ንእግዚኣብሄር ጥዑም ጨና እዩ። 14እቲ ንእግዚኣብሄር ዝስውእ ዝሓርር መስዋእቲ ኻብ ኣዕዋፍ እንተ ደኣ ዀይኑ፡ ካብ ባሬቶታት ወይ ካብ ጨጨዊት ርግቢ መስዋእቱ የቕርብ። 15እቲ ኻህን ድማ ናብ መሰውኢ ኣቕሪቡ፡ ነቲ ርእሱ ይጥወዮ፡ ኣብ መሰውኢ ኸኣ የሕርሮ፡ እቲ ደሙ ኸኣ ኣብ ጎቦ መሰውኢ ይጸመቑ። 16ጭንጭራኡ ምስናይ ፈርሱ ናብ ጎቦ መሰውኢ ብሸነኽ ምብራቕ ናብቲ ስፍራ ሓመዂስቲ ይደርብዮ። 17በኽናፉ ይጭደዶ፡ ግናኸ ኣይፈላልዮ፡ እቲ ኻህን ከኣ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ መሰውኢ ኣብ ልዕሊ ሓዊ ዘሎ ዕጨይቲ የሕርሮ፡ እዚ ዝሓርር መስዋእቲ፡ መስዋእቲ ሓዊ ንእግዚኣብሄር ጥዑም ጨና እዩ።
ዘሌዋውያን ምዕራፍ 2
1ሓደ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ብልዒ ምስ ዘቕርብ፡ እቲ መስዋእቱ ኻብ ድኹም ሓርጭ ይኹን፡ ዘይቲ ይኽዓወሉ፡ ዕጣንውን ይግበሩሉ። 2ናብ ካህናት፡ ደቂ ኣሮን፡ የምጽኣዮ፡ እቲ ኻህን ድማ ካብቲ ድኹም ሓርጩን ካብቲ ዘይቱን ምሉእ ኢድ ወሲዱ፡ ምስ ኲሉ እቲ ዕጣኑን ገይሩ ንመዘከርታኡ ኣብ መሰውኢ የሕርሮ፡ መስዋእቲ ሓዊ ንእግዚኣብሄር ጥዑም ጨና እዩ። 3እቲ ኻብ መስዋእቲ ብልዒ ዝተረፈ ንኣሮንን ንደቁን ይኹን። እዚ ኻብቲ ንእግዚኣብሄር ብሓዊ እተሰውአ ቅዱስ ቅዱሳን እዩ። 4መስዋእቲ ብልዒ ኣብ እቶን ካብ እተሰንከተ ምስ እተቕርብ ድማ፡ ካብ ድኹም ሓርጭ ብዘይቲ እተቘምጥዐ፡ ዘይበዂዐ ቅጫታትን ዘይቲ እተለኸየ፡ ዘይበዂዐ ረቀቕቲ ቅጫታትን ይኹን። 5መስዋእትኻ ኣብ መቑሎ ኻብ እተሰንከተ እንተ ዀይኑ፡ ካብ ድኹም ሓርጭ ብዘይቲ እተቘምጥዐ ዘይበዂዐ ይኹን። 6ቈራሪስካ ኸኣ ዘይቲ ኽዓወሉ፡ ንሱ መስዋእቲ ብልዒ እዩ። 7መስዋእስትኻ ኣብ ቁራዕ እተገብረ መስዋእቲ ብልዒ እንተ ዀነ፡ ካብ ድኹም ሓርጭ ምስ ዘይቲ ይገበር። 8እቲ ኻብዚ ነገርዚ እተገብረ መስዋእቲ ብልዒ ናብ እግዚኣብሄር ኣምጽኣዮ፡ ናብቲ ኻህን ድማ ኣቕርቦ፡ ንሱ ኸኣ ናብ መሰውኢ የቕርቦ። 9እቲ ኻህን ድማ ካብቲ መስዋእቲ ብልዒ ንመዘከርታ ዝኸውን ኣልዒሉ፡ ኣብ መሰውኢ የሕርሮ። መስዋእቲ ሓዊ ንእግዚኣብሄር ጥዑም ጨና እዩ። 10እቲ ኻብ መስዋእቲ ብልዒ ዝተረፈ ድማ ንኣሮንን ንደቁን ይኹን። እዚ ኻብቲ ንእግዚኣብሄር ብሓዊ እተገብረ መስዋእቲ ቅዱስ ቅዱሳን እዩ። 11እቲ ንእግዚኣብሄር እተቕርብዎ መስዋእቲ ብልዒ ገለ እኳ ብኹዕ ኣይገበር። ካብ ብኹዕ ኰነ ወይ ካብ መዓር ንእግዚኣብሄር ገለ እኳ መስዋእቲ ሓዊ ኣይተሕርሩ። 12ከም መስዋእቲ ቐዳማይ ፍረ ናብ እግዚኣብሄር ኣቕርብዎ፡ ግናኸ ከም ጥዑም ጨና ኣብ መሰውኢ ኣይገበር። 13ንዂሉ ናይ ብልዒ መስዋእትኻ ብጨው ኣቃምሞ፡ ኣብቲ ናይ ብልዒ መስዋእትኻ ጨው ኪዳን ኣምላኽካ ኣይተትርፈሉ፡ ኣብ ኲሉ መስዋእትኻ ጨው ኣቕርብ። 14ካብ በዂሪ ፍርያት ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ብልዒ እንተ ኣቕረብካ፡ ካብ በዂሪ ፍርያትካ ልምሉም እተበቈጸ ኣብ ሓዊ እተጠብሰ ሰዊት ንመስዋእቲ ብልዒ ኣቕርብ። 15ኣብ ልዕሊኡ ድማ ዘይቲ ኽዓወሉ ዕጣንውን ግበረሉ። እዚ መስዋእቲ ብልዒ እዩ። 16እቲ ኻህን ከኣ ካብቲ ሕሱይ እኽልን ካብቲ ዘይትን ምስ ኲሉ ዕጣን ገይሩ ንመዘከርታ የሕርሮ። ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ሓዊ እዩ።
ዘሌዋውያን ምዕራፍ 3
1መስዋእቱ ድማ መስዋእቲ ምስጋና እንተ ዀይኑ፡ እሞ ካብ ኣሓ እንተ ኣቕረበ፡ ተባዕታይ ወይ ኣንስተይቲ፡ ጐደሎ ዘይብሉ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የቕርብ። 2ኢዱ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ርእሲ እቲ መስዋእቱ የንብር፡ ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ድማ ይሕረዶ። ነቲ ደሙ ኸኣ ካህናት፡ ደቂ ኣሮን፡ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ፡ ኣብ ዙርያኡ ይንጸግዎ። 3ካብ መስዋእቲ ምስጋና ድማ እቲ ንናውቲ ኸብዲ ዝኸድን ስብሕን ኣብ ኣምዑት ዘሎ ዂሉ ስብሕን ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ሓዊ የቕርበሉ። 4ድማ ክልቲአን ኲሊት ምስቲ ኣብ ሽምጢ ውሽጢ ዘሎ ስብሖንን ነቲ ኣብ ጥቓ ዀለሊት ዘሎ ስብሒ ኸብድን ይፍለ። 5ደቂ ኣሮን ድማ ኣብ መሰውኢ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ሓዊ ዘሎ ዕጨይቲ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝሓርር መስዋእቲ የሕርርዎ። መስዋእቲ ሓዊ ንእግዚኣብሄር ጥዑም ጨና እዩ። 6እቲ ንእግዚኣብሄር ንመስዋእቲ ምስጋና ዘቕርቦ መስዋእቱ ኻብ ጤለበጊዕ እንተ ዀይኑ፡ ተባዕታይ ወይ ኣንስተይቲ፡ ጐደሎ ዘይብሉ የቕርብ። 7ንመስዋእቱ ገንሸል እንተ ኣቕረበ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የቕርቦ። 8ኢዱ ኣብ ልዕሊ ርእሲ እቲ መስዋእቱ ኣንቢሩ ኣብ ቅድሚ ድንኳን ምርኻብ ይሕረዶ። ነቲ ደሙ ድማ ደቂ ኣሮን ኣብ ልዕሊ መሰውኢ ኣብ ዙርያኡ ይንጸግዎ። 9-10ካብቲ መስዋእቲ ምስጋና ድማ እቲ ስብሑ፡ ብዘሎ ዀልኰሉ ኻብ ቀራጺቶ ፈልዩ ምስናይ እቲ ንናውቲ ኸብዲ ዝኸድን ስብሕን እቲ ኣብ ናውቲ ኸብዲ ዘሎ ዂሉ ስብሕን፡ ክልቲኤን ኲሊት ምስቲ ኣብ ሽምጢ ውሽጢ ዘሎ ስብሐንን እቲ ኻብ ጥቓ ዀለሊት ዝፈልዮ ስብሒ ኸብድን ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ሓዊ የቕርቦ። 11እቲ ኻህን ድማ ኣብ መሰውኢ የሕርሮ። ንእግዚኣብሄር ብሓዊ እተገብረ መስዋእቲ ብልዒ እዩ። 12መስዋእቱ ጤል እንተ ዀይና፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የቕርባ። 13ኢዱ ኣብ ልዕሊ ርእሳ ኣንቢሩ ድማ ኣብ ቅድሚ ድንኳን ምርኻብ ይሕረዳ። ደቂ ኣሮን ከኣ ነቲ ደማ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ፡ ኣብ ዙርያኡ ይንጸግዎ። 14-15ካብኡ እቲ ንናውቲ ኸብዲ ዝኸድን ስብሕን ኣብ ናውቲ ኸብዲ ዘሎ ዂሉ ስብሕን፡ ክልቲኤን ኲሊት ምስቲ ኣብ ሽምጢ ውሽጢ ዘሎ ስብሐንን እቲ ኻብ ጥቓ ዂሊት ዝፈልዮ ስብሒ ኸብድን፡ መስዋእቱ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ሓዊ የቕርበሉ። 16እቲ ኻህን ድማ ነዚ ኣብ መሰውኢ የሕርሮ። እንጌራ መስዋእቲ ሓዊ ንጥዑም ጨና እዩ። ኲሉ ስብሒ ናይ እግዚኣብሄር እዩ። 17እዚ ኣብ ኲሉ እትነብርዎ ንውሉድ ወለዶኹም ሕጊ ዘለኣለም ይኹን፥ ስብሒ ዘበለን ደም ዘበለን ኣይትብልዑ።
ዘሌዋውያን ምዕራፍ 4
1እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፥ 2ንደቂ እስራኤል ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፥ ሓደ ሰብ፡ ካብቲ እግዚኣብሄር፥ ኣይትግበርዎ፡ ኢሉ ዝኣዘዞ ኹሉ፡ ሓደ ብምግባሩ ብዘይ ፍልጠት ሓጢኣት እንተ ገበረ፡ 3እቲ እተቐብአ ኻህን እንተ ዀይኑ ሓጢኣት ዝገበረ፡ እሞ በዚ ነቲ ህዝቢ በዳሊ እንተ ገበሮ፡ ስለቲ ዝገበሮ ሓጢኣቱ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ጐደሎ ዘይብሉ ዝራብዕ ንእግዚኣብሄር የቕርበሉ። 4ነቲ ዝራብዕ ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ናብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ የምጽኣዮ፡ ኢዱ ኣብ ልዕሊ ርእሲ እቲ ዝራብዕ የንብር እሞ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይሕረዶ። 5እቲ ቕቡእ ካህን ድማ ካብ ደም እቲ ዝራብዕ ወሲዱ ናብ ድንኳን ምርኻብ የእትዎ። 6እሞ እቲ ኻህን ኣጻብዑ ኣብቲ ደም ይጥማዕ፡ ካብቲ ደም ከኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፡ ኣብ ቅድሚ መጋረጃ መቕደስ ሾብዓተ ሳዕ ይንጸግ። 7እቲ ኻህን ድማ ካብቲ ደም ኣብ ኣቕርንቲ እቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፡ ኣብ ድንኳን ምርኻብ ዘሎ መሰውኢ ምኡዝ ዕጣን ይግበር። ኲሉ ደም እቲ ዝራብዕ ከኣ ኣብ እግሪ እቲ ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ዘሎ መሰውኢ ምሕራር ይኽዓዎ። 8ካብቲ ዝራብዕ መስዋእቲ ሓጢኣት ኲሉ ስብሒ፥ እቲ ንናውቲ ኸብዲ ዝኸድን ስብሕን እቲ ኣብ ናውቲ ኸብዲ ዘሎ ዂሉ ስብሕን የልዕል፡ 9ድማ ክልቲኤን ኲሊትን እቲ ኣብ ሽምጢ ውሽጢ ዘሎ ስብሐንን እቲ ኣብ ጥቓ ዀለሊት ዘሎ ስብሒ ኸብድን የልዕል፡ 10ከምቲ ኻብ ዝራብዕ መስዋእቲ ምስጋና ዝለዓል፡ ነዚ እቲ ኻህን ኣብ መሰውኢ ምሕራር የሕርሮ። 11ቈርበት እቲ ዝራብዕን ኲሉ ስጋኡን ምስናይ ርእሱን መሓውሩን ናውቲ ኸብዱን ፈርሱን፡ 12እቲ ዝራብዕ ብምሉኡ ኻብ ሰፈር ናብ ጽርይቲ ቦታ፡ ናብታ ሓመዂስቲ ዝጐሓፋ የምጽኣዮ። ኣብ ልዕሊ ዕጨይቲ ገይሩ ብሓዊ የሕርሮ። ኣብታ ሓመዂስቲ ዝጐሓፋ ይሕረር። 13ብዘሎ እቲ ኣኼባ እስራኤል እንተ ሰሓተ፡ እቲ ነገር ከኣ ካብ ኣዒንቲ ማሕበር እንተ ተኸወለ እሞ ካብቲ እግዚኣብሄር፥ ኣይትግበርዎ፡ ኢሉ ዝኣዘዞ ዂሉ፡ ሓደ ብምግባሮም እንተ በደሉ፡ 14እቲ ዝገበርዎ ሓጢኣት ምስ ተፈለጠ፡ እታ ማሕበር ንመስዋእቲ ሓጢኣት ሓደ ዝራብዕ ተቕርብ፡ ናብ ቅድሚ ድንኳን ምርኻብ ከኣ ተምጽኣዮ። 15እቶም ዓበይቲ እቲ ኣኼባ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣእዳዎም ኣብ ልዕሊ ርእሲ እቲ ዝራብዕ የንብሩ፡ እቲ ዝራብዕ ከኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይተሓረድ። 16እቲ እተቐብአ ኻህን ድማ ካብ ደም ዝራብዕ ናብ ድንኳን ምርኻብ የምጽእ፡ 17እቲ ኻህን ከኣ ኣጻብዑ ኣብቲ ደም ጠሚዑ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፡ ናብ ቅድሚ መጋረጃ ሾብዓተ ሳዕ ይንጸግ። 18ካብቲ ደም ከኣ ኣብ ኣቕርንቲ እቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፡ ኣብ ድንኳን ምርኻብ ዘሎ መሰውኢ ይግበር። ንዂሉ እቲ ደም ከኣ ኣብ እግሪ እቲ ኣብ ቅድሚ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ዘሎ መሰውኢ ምሕራር ይኽዓዎ። 19ንኹሉ እቲ ስብሒ ድማ ካብኡ ኣልዒሉ ኣብ መሰውኢ የሕርሮ። 20እዚ ነቲ ዝራብዕ ይግበር፡ ነቲ ዝራብዕ መስዋእቲ ሓጢኣት ከም ዝገበሮ፡ ነዚ ኸኣ ከምኡ ይግበሮ። ከምኡ እቲ ኻህን የተዓርቆም፡ ሽዑ ይሕደገሎም። 21ነቲ ዝራብዕ ድማ ካብቲ ሰፈር ንወጻኢ የውጽኣዮ፡ ነቲ ቐዳማይ ዝራብዕ ከም ዘሕርሮ፡ የሕርሮ። እዚ ናይቲ ኣኼባ መስዋእቲ ሓጢኣት እዩ። 22ሓደ ሹም ከኣ ከይፈለጠ ኻብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኹ፡ ኣይትግበርዎ፡ ኢሉ ዝኣዘዞ ኹሉ፡ ሓደ ብምግባሩ በዲሉ እንተ ሓጥአ፡ 23እቲ ዝገበሮ ሓጢኣት ድማ እንተ ተፈለጦ፡ ንመስዋእቱ ኻብ ኣጣሉ ሓደ ተባዕታይ ጐደሎ ዘይብሉ ድቤላ የምጽእ። 24ኢዱ ኣብ ርእሲ እቲ ድቤላ የንብር፡ ኣብታ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዝሓርር መስዋእቲ ዝሓርዱላ ቦታ ኸኣ ይሕረዶ። ንሱ መስዋእቲ ሓጢኣት እዩ። 25እቲ ኻህን ድማ ካብቲ ደም መስዋእቲ ሓጢኣት በጻብዑ ይውሰድ፡ ኣብ ልዕሊ ቐርኒ መሰውኢ ምሕራርውን ይግበሮ። ነቲ ደሙ ኸኣ ኣብ እግሪ መሰውኢ ምሕራር ይኽዓዎ። 26ንዂሉ እቲ ስብሑ ድማ፡ ከምቲ ንስብሒ መስዋእቲ ምስጋና ዝግበር፡ ኣብ መሰውኢ የሕርሮ። እቲ ኻህን ድማ ካብ ሓጢኣቱ የተዓርቆ፡ ይሕደገሉ ኸኣ። 27ካብ ህዝቢ እታ ሃገር ሓንቲ ነፍሲ፡ ከይፈለጠት ካብቲ እግዚኣብሄር፡ ኣይትግበርዎ፡ ኢሉ ዝኣዘዞስ ሓደ ብምግባራ በዲላ እንተ ሓጥአት፡ 28እቲ ዝገበሮ ሓጢኣቱ እንተ ተፈለጦ፡ ስለ እቲ ዝገበሮ ሓጢኣቱ መስዋእቱ ጐደሎ ዘይብላ ኣንስተይቲ ጤል የምጽእ። 29ኢዱ ድማ ኣብ ልዕሊ ርእሲ እታ መስዋእቲ ሓጢኣት የንብር፡ ነታ መስዋእቲ ሓጢኣት ኣብ ቦታ እቲ ዝሓርር መስዋእቲ ይሕረዳ። 30እቲ ኻህን ድማ ካብ ደማ በጻብዑ ወሲዱ፡ ኣብ ልዕሊ ቐርኒ መሰውኢ ምሕራር ይግበር፡ ንዂሉ እቲ ደም ከኣ ኣብ እግሪ መሰውኢ ይኽዓዎ። 31ከምቲ ኻብ መስዋእቲ ምስጋና ዝፍለ ስብሒ፡ ንዂሉ እቲ ስብሒ ይፍለ፡ እቲ ኻህን ድማ ንእግዚኣብሄር ንጥዑም ጨና ኣብ መሰውኢ የሕርሮ። እቲ ኻህን ድማ የተዓርቆ፡ ይሕደገሉ ኸኣ። 32ንመስዋእቲ ሓጢኣቱ ገንሸል እንተ ኣምጽአ ኸኣ፡ ጐደሎ ዘይብላ ኣንስተይቲ የምጽእ። 33ኢዱ ድማ ኣብ ልዕሊ ርእሲ እታ መስዋእቲ ሓጢኣት የንብር፡ ኣብታ ዝሓርር መስዋእቲ ዝሓርዱላ ቦታ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ይሕረዳ። 34እቲ ኻህን ድማ ካብ ደም እታ መስዋእቲ ሓጢኣት በጻብዑ ወሲዱ፡ ኣብ ልዕሊ ቐርኒ መሰውኢ ምሕራር ይግበር። ንዀሉ ደማ ኸኣ ኣብ እግሪ መሰውኢ ይኽዓዎ። 35ከምቲ ኻብ ገንሸል መስዋእቲ ምስጋና ዝፍለ ስብሒ፡ ንዂሉ እቲ ስብሒ ይፍለ እሞ እቲ ኻህን ኣብ ልዕሊ እቲ ንእግዚኣብሄር ብሓዊ ዝግበር መስዋእቲ፡ ኣብ መሰውኢ የሕርሮ። እቲ ኻህን ድማ ብዛዕባ እቲ ዝገበሮ ሓጢኣቱ የተዓርቆ፡ ይሕደገሉ ኸኣ።
ዘሌዋውያን ምዕራፍ 5
1ሰብ፡ ቃል ማሕላ ሰሚዑ፡ ንሱ ብዝረኣዮ ወይ ብዝፈለጦ ምስክር ኰይኑ እንተ ዘይገለጾ፡ ብእኡ ሓጢኣት እንተ ገበረ፡ በደሉ ይጸውር። 2ወይ ሓደ ኸይፈለጠ ገለ ርኹስ ነገር እንተ ተንከየ፡ ገምቢ ርኹስ ኣራዊት እንተ ዀነ፡ ወይ ገምቢ ርኹስ እንስሳ ቤት፡ ወይ ገምቢ ርኹስ ለመምታ፡ ንሱ ረኺሱ እዩ እሞ በዳሊ እዩ። 3ወይ ከይፈለጠ ንርኽሰት ሰብ፡ ብዝዀነ ዘርክሶ ርኽሰት እንተ ተንከየ እሞ ምስ ተፈለጦ፡ በዳሊ እዩ። 4ወይ ሓደ ገለ ኽፉእ ወይ ጽቡቕ ንምግባር፡ ዝዀነ ይኹን ሰብ ብዘይ ሓሳብ ከም ዝምሕል፡ ከይፈለጠ ብዘይ ሓሳብ ብኸናፍሩ እንተ መሓለ እሞ ምስ ተፈለጦ፡ ብሓደ ኻብዚ ነገርዚ በዳሊ እዩ። 5ክኸውን ድማ እዩ፡ ካብዚ ነገርዚ ብሓደ ምስ በደለ፡ በቲ ዝገበሮ ሓጢኣት ይናዘዝ። 6ብዛዕባ እቲ ዝገበሮ ሓጢኣቱ ድማ ንመስዋእቲ በደሉ ኻብ መጓሴኡ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ሓንቲ ሽበን ወይ ኣርሕዶ ንእግዚኣብሄር የቕርበሉ። እቲ ኻህን ድማ ብዛዕባ ሓጢኣቱ የተዓርቆ። 7ንበጊዕ ዝኣክል ዓቅሚ እንተ ዘይብሉ ኸኣ፡ ንመስዋእቲ እቲ ዝገበሮ በደል ክልተ ባሬቶ ወይ ክልተ ጫጩት ርግቢ፡ ሓንቲ መስዋእቲ ሓጢኣት፡ ሓንቲ ኸኣ ንዝሓርር መስዋእቲ ንእግዚኣብሄር የቕርበሉ። 8ናብ ካህን የምጽኣየን፡ ንሱ ኸኣ ቅድም እታ መስዋእቲ ሓጢኣት እትኸውን የቅርብ፡ ርእሳ ኸይፈለየስ፡ ካብ ጥቃ ኽሳዳ ይጥወያ። 9ካብቲ ደም መስዋእቲ ሓጢኣት ድማ ኣብ ጎቦ መሰውኢ ይንጸግ፡ ነቲ ዝተረፈ ደም ከኣ ኣብ እግሪ መሰውኢ ይጽመቆ። ንሱ መስዋእቲ ሓጢኣት እዩ። 10ነታ ኻልኣይቲ ኸኣ ከምቲ ስርዓት ዝሓርር መስዋእቲ ይግበራ። እቲ ኻህን ድማ ካብቲ ዝገበሮ ሓጢኣቱ የተዓርቆ፡ ይሕደገሉ ኸኣ። 11ንኽልተ ባሬቶ ወይ ንኽልተ ጫጩት ርግቢ ዓቅሚ እንተ ዘይብሉ ግና፡ ስለ እቲ ዝገበሮ ሓጢኣት ንመስዋእቲ ሓጢኣቱ ዓስራይ ኣፍ ኤፉ ድኹም ሓርጭ የምጽእ። መስዋእቲ ሓጢኣት እዩ እሞ፡ ዘይቲ ኣይኽዓወሉ። ዕጣን ከኣ ኣይግበረሉ። 12ናብቲ ኻህን ድማ የምጽኣዮ፡ እቲ ኻህን ከኣ ካብኡ ንመዘከርታ ኢዱ ምሉእ ወሲዱ፡ ኣብ መሰውኢ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ንእግዚኣብሄር ብሓዊ ዝግበር መስዋእቲ የሕርሮ። ንሱ መስዋእቲ ሓጢኣት እዩ። 13ብሓደ ኻብዚ ነገርዚ ንዝበደለ እቲ ኻህን የተዓርቆ፡ ይሕደገሉ ኸኣ። እቲ ዝተረፈ ድማ ከምቲ ናይ መስዋእቲ ብልዒ ንኻህናት ይኹን። 14እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፥ 15ሰብ በደል እንተ በደለ፡ ብገለ እቲ ንእግዚኣብሄር እተቐደሰ ነገር ከይፈለጠ ሓጢኣት እንተ ገበረ፡ ንመስዋእቲ በደሉ ኻብ መጎሰ ኣባጊዕ፡ ከምቲ ብሲቃል መቕደስ ብሲቃላት ብሩር ዝገምገምካሉ፡ ጎደሎ ዘይብሉ ድዑል መስዋእቲ በደል ንእግዚኣብሄር የምጽኣሉ። 16በቲ ኣብቲ ቅዱስ ነገር ዝገበሮ ሓጢኣት ይኽሓስ፡ ሓምሳይ ኣፍ ከኣ ይወስኸሉ፡ ንኻህን ድማ ይሃቦ። እቲ ኻህን ከኣ በቲ ድዑል መስዋእቲ በደል የተዓርቆ፡ ይሕደገሉ ድማ። 17ሰብ ካብቲ እግዚኣብሄር፥ ኣይትግበርዎ፡ ኢሉ ዝኣዘዞ ዂሉ ሓደ ብምግባሩ እንተ ሓጥአ፡ ከይፈለጠ እኳ ኽነሱ በዳሊ እዩ እሞ፡ በደሉ ይጸውር። 18ንመስዋእቲ በደል ከኣ ከም ገምጋምካ፡ ካብ መጓሰ ኣባጊዕ ጐደሎ ዘይብሉ ድዑል ናብ ካህን የምጽእ። ብዛዕባ እቲ ብዘይ ፍልጠት ዝገበሮ ጌጋ እቲ ኻህን የተዓርቆ፡ ይሕደገሉ ኸኣ። 19ርግጽ ንእግዚኣብሄር በዲሉ እዩ እሞ፡ እዚ መስዋእቲ በደል እዩ።
ዘሌዋውያን ምዕራፍ 6
1እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፥ 2ሰብ ንእግዚኣብሄር በደል ብምብዳሉ ሓጢኣት እንተ ገበረ፡ ብጻዩ ዘንበረሉ ሕድሪ ብምጥላሙ፡ ወይ ኣብ ኢዱ ብዘትሓዞ፡ ወይ ገለ ብዝኸተሮ ወይ ብዝዓመጾ፡ 3ወይ ገለ ጥፉእ ረኺቡ ኸሎ ኣሉ ኢሉ ብሓሶት ብምምሓሉ፡ ብሓደ ኻብ ዝዀነ ነገር ሰብ ሓጢኣት ብዝገበረሉ፡ 4ይኸውን ድማ፡ ሓጢኣት ብምግባሩ በዳሊ ምስ ኰነ፡ ንሱ እቲ ኸትሪ ዝኸተሮ፡ ወይ እቲ ዓመጽ ዝዓመጾ፡ ወይ ሕድሪ ዘንበረሉ፡ ወይ ጠፊኡ ዝረኸቦ፡ 5ወይ ብዝዀነ ነገር ሓስዩ ዝመሓለሉ ይምለሶ፡ ብምሉኡ ይምለሶ፡ ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ሕምሻኡ ይወስኸሉ። በታ መስዋእቲ በደሉ ዘቕርበላ መዓልቲ ነቲ ዋናኡ ይምለሰሉ። 6ንመስዋእቲ በደል ድማ ካብ መጓሰ ኣባጊዕ፡ ከም ገምጋምካ፡ ጐደሎ ዘይብሉ ድዑል መስዋእቲ በደሉ ንእግዚኣብሄር፡ ናብ ካህን የምጽእ። 7እቲ ኻህን ከኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የተዓርቆ፡ ካብ ዝዀነ ዝገበሮ ድማ ብእኡ በዳሊ ዝዀነ፡ ክሕደገሉ እዩ። 8እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፥ 9ንኣሮንን ንደቁን ከምዚ ኢልካ ኣዝዞም፡ ሕጊ እቲ ዝሓርር መስዋእቲ እዚ እዩ፡ እቲ ዝሓርር መስዋእቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ መሰውኢ ዝነድድ ዕጨይቲ ምሉእ ለይቲ ኽሳዕ ዝወግሕ ይነበር፡ እቲ ሓዊ መሰውኢ ኸኣ ይንደድ። 10እቲ ኻህን ቀምሽ ልሕጺ እንጣጢዕ ይከደን፡ ኣብ ስጋኡ ድማ ስረ ልሕጺ እንጣጢዕ ይግበር። ነቲ ሓመዂስቲ ናይቲ ዝሓርር መስዋእቲ ኣብ መሰውኢ ሓዊ ዝበልዖ፡ ሓፊሱ፡ ኣብ ጎቦ መሰውኢ ይግበሮ። 11ደሓር ክዳውንቱ የውጽእ፡ ካልእ ክዳውንቲ ድማ ይከደን፡ ነቲ ሓመዂስቲ ኸኣ ካብቲ ሰፈር ኣብ ጽሩይ ቦታ የውጽኣዮ። 12እቲ ኣብ መሰውኢ ዘሎ ሓዊ ኣብኡ ይንደድ፡ ኣይጥፋእ። እቲ ኻህን ከኣ ኣብ ጸጽባሕ ኣብ ልዕሊኡ ዕጨይቲ የንድድ። ኣብ ልዕሊኡ ድማ እቲ ዝሓርር መስዋእቲ ይግበር፡ ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ስብሒ መስዋእቲ ምስጋና የሕርር። 13እቲ ሓዊ ወርትግ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ ይንደድ፡ ኣይጥፋእ። 14ሕጊ መስዋእቲ ብልዒ ድማ እዚ እዩ፥ ደቂ ኣሮን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ናብ ቅድሚ መሰውኢ የቕርብዎ። 15ካብኡ፡ ካብቲ ናይ መስዋእቲ ብልዒ ድኹም ሓርጭ ከኣ ኢዱ ምሉእ የልዕል፡ ካብ ዘይቱ ድማ ምስቲ ኣብ ልዕሊ መስዋእቲ ብልዒ ዘሎ ዂሉ ዕጣን ገይሩ ንመዘከሪ፡ ንእግዚኣብሄር ጥዑም ጨና ኣብ መሰውኢ የሕርሮ። 16እቲ ኻብኡ ዝተረፈ ድማ ኣሮንን ደቁን ይብልዕዎ፡ ከይበዂዐ ኣብ ቅዱስ ቦታ ይበላዕ። ኣብ ኣጸድ ድንኳን ምርኻብ ኰይኖም ይብልዕዎ። 17ብማይ ብሑቕ ኣይሰንከት። እዚ ኻብቲ ብሓዊ እተገብረ መስዋእተይ ዝሃብክዎም ግዲኦም እዩ። ከም መስዋእቲ ሓጢኣትን ከም መስዋእቲ በደል ቅዱስ ቅዱሳን እዩ። 18ካብ ደቂ ኣሮን ተባዕታይ ዝዀነ ዂሉ ይብልዓዮ። እዚ ኻብቲ ንእግዚኣብሄር ብሓዊ እተገብረ መስዋእትታት ንውሉድ ወለዶኹም ናይ ዘለኣለም መሰሎም ይኹን። ነፍሲ ወከፍ ዝተንከዮ ይቀደስ። 19እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፥ 20ኣሮንን ደቁን በታ ዝቕብኣላ መዓልቲ ንእግዚኣብሄር ዘቕርብዎ መስዋእቲ እዚ እዩ፥ ንናይ ወርትግ መስዋእቲ ብልዒ ዓስራይ ኣፍ ኤፋ ድኹም ሓርጭ፡ ፈረቓኡ ብጊሓት፡ ፈረቓኡ ኸኣ ምሸት። 21ምስ ዘይቲ ኣብ መቕሎ ይሰንከት። ምስ ተቘምጥዐ ኸኣ ኣምጽኣዮ። ንእግዚኣብሄር፡ ንጥዑም ጨና ብሱል ቈረርስ ጌርካ፡ መስዋእቲ ብልዒ ኣቕርበሉ። 22እቲ ኻብ ደቁ ኣብ ስፍራኡ ዝቕባእ ካህን ድማ ከምኡ ይግበር። ንስርዓት ዘለኣለም ብምሉኡ ንእግዚኣብሄር ይሕረር። 23ኲሉ ናይ ካህን መስዋእቲ ብልዒ፡ ብምሉኡ ይሕረር፡ ኣይበላዕ። 24እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፥ 25ንኣሮንን ንደቁን ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፥ ሕጊ መስዋእቲ ሓጢኣት እዚ እዩ፥ እቲ መስዋእቲ ሓጢኣት ኣብታ ዝሓርር መስዋእቲ ዝሕረደላ ቦታ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይተሓረድ። ንሱ ቅዱስ ቅዱሳን እዩ። 26እቲ ኻህን ብዛዕባ ሓጢኣት ዘቕርቦ፡ ይብልዓዮ። ኣብ ኣጸድ ድንኳን ምርኻብ ኣብ ቅዱስ ቦታ ይበላዕ። 27ነፍሲ ወከፍ ነቲ ስጋ ዝተንከዮ ይቀደስ። ካብቲ ደም ኣብ ገለ ኽዳን እንተ ነጠረ፡ ነቲ ዝነጠሮ ዘበለ ኣብ ቅዱስ ቦታ ዄንካ ሕጸቦ። 28እቲ ዝበሰለሉ ቑራዕ ድማ ይሰበር፡ ኣብ ድስቲ ኣስራዚ እንተ በሰለ ኸኣ፡ ይፈጒፈጕ ብማይውን ይተሓጸብ። 29ነፍሲ ወከፍ ተባዕታይ፡ ካህን ዝዀነ፡ ይብልዓዮ፡ ንሱ ቅዱስ ቅዱሳን እዩ። 30መስዋእቲ ሓጢኣት ዘበለ ድማ፡ ካብ ደሙ ኣብ መቕደስ ንምትዕራቕ ናብ ድንኳን ምርኻብ ዝኣቱ፡ ብሓዊ ይንደድ እምበር፡ ኣይበላዕ።
ዘሌዋውያን ምዕራፍ 7
1ሕጊ መስዋእቲ በደል ድማ እዚ እዩ፥ ንሱ ቅዱስ ቅዱሳን እዩ። 2ነቲ መስዋእቲ በደል ኣብታ ዝሓርር መስዋእቲ ዝሕረዱላ ቦታ ይሕረድዎ። ደሙ ኸኣ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ ኣብ ዙርያኡ ይንጸጎ። 3ብዘሎ ስብሒ ኸኣ፡ ኰልኰሉን ቋንጡጡን፡ 4ክልቲኤን ኲሊት ምስቲ ኣብ ሽምጢ ውጽጢ ዘሎ ስብሐንን፡ እቲ ኻብ ጥቓ ዀለሊት ዝፈልዮ ስብሒ ኸብድን፡ 5እቲ ኻህን ነዚ መስዋእቲ ሓዊ ንእግዚኣብሄር ኣብ መሰውኢ የሕርሮ፡ ንሱ መስዋእቲ በደል እዩ። 6ነፍሲ ወከፍ ተባዕታይ፡ ካህን ዝዀነ፡ ይብልዓዮ፡ ኣብ ቅዱስ ቦታ ይበላዕ። ንሱ ቅዱስ ቅዱሳን እዩ። 7እቲ መስዋእቲ በደል ከምቲ መስዋእቲ ሓጢኣት እዩ፡ ንኽልቲኡ ሕጊ ሓደ እዩ፡ ናይቲ ብእኡ ዘተዓርቕ ካህን ይኹን። 8እቲ ኻህን ናይ ማንም ዝሓርር መስዋእቲ ዘቕርቦ፡ ቈርበት እቲ ዘቕርቦ ዝሓርር መስዋእቲ ነቲ ኻህን ይኹን። 9ኲሉ መስዋእቲ ብልዒ ድማ ኣብ እቶን ዝበሰለ፡ ኲሉ ኣብ ቁራዕን ኣብ መቕሎን እተገብረ፡ ነቲ ዘቕርቦ ኻህን ይኹን። 10ኲሉ ዘይቲ እተሓወሶ ወይ ንቑጽ መስዋእቲ ብልዒ ንዂሎም ደቂ ኣሮን፡ ነቲ ሓደ ኸምቲ ሓደ ይኹን። 11እቲ ንእግዚኣብሄር ዝቕረብ መስዋእቲ ምስጋና ድማ ሕጉ እዚ እዩ፥ 12ንምስጋና እንተ ኣቕረቦ፡ ምስቲ መስዋእቲ ምስጋና ዘይቲ እተሓወሶ ዘይበዂዐ ቕጫታት፡ ዘይቲ እተለኸየ ዘይበዂዐ ረቂቕ ቅጫታትን ካብ ድኹም ሓርጭ እተቘምጥዐ ዘይቲ እተሓወሶ ቕጫታትን የቕርብ። 13እቲ ንምስጋና ዘቕርቦ ናይ ምስጋና መስዋእቱ ምስ ዝበዂዐ እንጌራ የቕርቦ። 14ካብ ኲሉ እዚ መስዋእትታት ሓደ ግደ ንእግዚኣብሄር ዝለዓል መስዋእቲ የቕርበሉ። እዚ ነቲ ደም መስዋእቲ ምስጋና ዝነጽግ ካህን ይኹን። 15ስጋ እቲ ንምስጋና ዘቕርቦ ናይ ምስጋና መስዋእቱ በታ እተሰውኣላ መዓልቲ ይበላዕ፡ ካብኡ ገለ እኳ ኽሳዕ ብጊሓት ኣየትርፍ። 16እቲ ዝቐርብ መስዋእቲ ናይ መብጽዓ ወይ ናይ ፍቓድ እንተ ዀነ ኸኣ፡ በታ መስዋእቱ ዘቕረበላ መዓልቲ ይበላዕ፡ እቲ ኻብኡ ዝተረፈ ድማ ንጽብሒቱ ይበላዕ። 17ካብቲ ስጋ መስዋእቲ ኽሳዕ ሳልሰይቲ መዓልቲ ዝተረፈ ግና፡ ብሓዊ ይንደድ። 18ካብቲ ስጋ ናይ ምስጋና መስዋእቱ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ እንተ ተበልዐ፡ እቲ መስዋእቲ ቕቡል ኣይኰነን፡ ነቲ ዘቕረቦውን ከም ቁርባን ኣይቑጸረሉን፡ ፍንፉን ይኸውን። እታ ኻብኡ እትበልዕ ነፍሲ ኸኣ በደላ ትጸውር። 19ርኹስ ዝተንከዮ ስጋ ድማ ኣይበላዕ፡ ብሓዊ ደኣ ይንደድ። ብዛዕባ ስጋ ግና፡ ንጹህ ዝዀነ ዂሉ ይብልዓዮ። 20እታ ረኺሳ ኸላ፡ ካብቲ ናይ እግዚኣብሄር ስጋ መስዋእቲ ምስጋና እትበልዕ ነፍሲ ድማ፡ እታ ነፍሲ እቲኣ ኻብ ህዝባ ኽትምንቈስ እያ። 21ነፍሲ ገለ ርኹስ ነገር እንተ ተንከየት፡ ርኽሰት ሰብ ወይ ርኹስ እንስሳ ወይ ዝዀነ ጽዩፍ ርኽሰት፡ ካብቲ ናይ እግዚኣብሄር ስጋ መስዋእቲ ምስጋና ኸኣ እንተ በልዐት፡ እታ ነፍሲ እቲኣ ኻብ ህዝባ ኽትምንቈስ እያ። 22እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፥ 23ንደቂ እስራኤል ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፥ ገለ ስብሒ፡ ናይ ብዕራይ ኰነ ወይ ናይ በጊዕ ወይ ናይ ጤል፡ ኣይትብልዑ። 24ስብሒ ዝሓለቐትን ናይ ኣራዊት ዝቐተላን ንዝዀነ ውራይኩም ግበርዎ፡ ምብላዕ ግና ኣይትብልዕዎ። 25ካብ ስብሒ እቲ እንስሳ፡ ካብኡ መስዋእቲ ሓዊ ንእግዚኣብሄር ዘቕርብዎ፡ ዝበልዐ ዘበለ፡ እታ ዝበልዐት ነፍሲ ኻብ ህዝባ ኽትምንቈስ እያ። 26ኣብ እትነብርዎ ዂሉ ኸኣ፡ ናይ ዑፍ ኰነ ናይ ማል፡ ደም ዘበለ ኣይትብልዑ። 27ዝዀነ ደም ዝበልዐት ዘበለት ነፍሲ፡ እታ ነፍሲ እቲኣ ኻብ ህዝባ ኽትምንቈስ እያ። 28እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፥ 29ንደቂ እስራኤል ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፥ እቲ ናይ ምስጋና መስዋእቱ ንእግዚኣብሄር ዘቕርብ፡ ካብቲ ናይ ምስጋና መስዋእቱ ኣልዒሉ ህያቡ ናብ እግዚኣብሄር የምጽኣዮ። 30ነቲ ናይ እግዚኣብሄር መስዋእቲ ሓዊ በእዳዉ የምጽኣዮ። እቲ ሓኸለ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር መስዋእቲ ምውዝዋዝ ክውዝወዝሲ፡ ስብሑን ሓከሊኡን የምጽኣዮ። 31እቲ ኻህን ድማ ነቲ ስብሒ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ የሕርሮ፡ እቲ ሓኸለ ኸኣ ንኣሮንን ንደቁን ይኹን። 32ካብቲ ናይ ምስጋና መስዋእትኹም ንዝልዓል መስዋእቲ የማነይቲ እግሪ ነቲ ኻህን ሃብዎ። 33ነቲ ኻብ ደቂ ኣሮን ደም መስዋእቲ ምስጋናን ስብሕን ዘቕርብ፡ የማነይቲ እግሪ ግዲኡ ትኹን። 34ካብ መስዋእቲ ምስጋና ደቂ እስራኤል ሓኸለ ምውዝዋዝን ዝልዓል እግርን ወሲደዮ እየ እሞ፡ ካብ ደቂ እስራኤል ንስርዓት ዘለኣለም ንኻህን ኣሮንን ንደቁን ሂበዮም ኣሎኹ። 35-36በታ ኻህናት እግዚኣብሄር ክዀኑ ዘቕረቦም መዓልቲ፡ በታ ዝቐብኦም መዓልቲ፡ ካብ መስዋእቲ ሓዊ እግዚኣብሄር ደቂ እስራኤል ክህብዎም እግዚኣብሄር ዝኣዘዞም፡ ግደ ምቕባእ ኣሮንን ግደ ምቕባእ ደቁን እዚ እዩ። ንውሉድ ወለዶኦም ስርዓት ዘለኣለም እዩ። 37-38በታ ንደቂ እስራኤል መስዋእቶም ንእግዚኣብሄር ኣብ በረኻ ሲና ከቕርቡ ዝኣዘዘላ መዓልቲ፡ እግዚኣብሄር ንሙሴ ኣብ ከረን ሲና ዝኣዘዞ ሕጊ፡ ዝሓርር መስዋእትን መስዋእቲ ብልዕን መስዋእቲ ሓጢኣትን መስዋእቲ በደልን መስዋእቲ ምቕዳስን መስዋእቲ ምስጋናን እዚ እዩ።
ዘሌዋውያን ምዕራፍ 8
1እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፥ 2ንኣሮን፡ ደቁ ኸኣ ምስኡ፡ ኣልባስን ዘይቲ ቕብኣትን እቲ ዝራብዕ መስዋእቲ ሓጢኣትን እቶም ክልተ ድዑልን እቲ መሶብ ቅጫን ውሰድ። 3ንብዘሎ ኣኼባ ኸኣ ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ኣክቦ። 4ሙሴ ድማ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ገበረ። እቲ ኣኼባ ኸኣ ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ተኣከበ። 5ሙሴ ድማ ነቲ ኣኼባ፥ እቲ እግዚኣብሄር ክግበር ዝኣዘዞ ነገር እዚ እዩ፡ በለ። 6ሙሴ ኸኣ ንኣሮንን ንደቁን ኣቕሪቡ፡ ብማይ ሓጸቦም። 7ቀምሽ ታሕቲ ድማ ኣእተወሉ፡ ቅናትውን ኣቐነቶ፡ ቀምሽ ላዕሊ ከዲኑ ኸኣ ኣብ ልዕሊኡ ኤፎድ ገበረሉ፡ በቲ ብብልሓት እተገብረ ቕናት ኤፎድ ድማ ኣቐነቶ፡ ብእኡውን ኣብ ልዕሊኡ ኣትሓዞ። 8ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ሳንቃ ኣፍ ልቢ ገበረሉ፡ ናብቲ ሳንቃ ኣፍ ልቢ ድማ ኡሪምን ቱሚምን ገበረሉ። 9ኣብ ርእሱ ኸኣ መጠምጠምያ ገበረሉ። ኣብ ልዕሊ እቲ መጠምጠምያውን ብሸነኽ ቅድሚት ብሊቃ ወርቂ፡ እቲ ቅዱስ ኣኽሊል፡ ገበረሉ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ገበረ። 10ሙሴ ድማ ዘይቲ ቕብኣት ወሲዱ ነቲ ማሕደርን ኣብኡ ንዝነበረ ዂሉን ቀብኦ፡ ቀደሶ ኸኣ። 11ካብኡ ናብ ልዕሊ መሰውኢ ሾብዓተ ሳዕ ነጸገ፡ ምእንቲ ክቕድሶውን ንመሰውእን ንዂሉ ኣቓሑኡን ነቲ ገበራን ኣጋሮኡን ቀብኦ። 12ናብ ርእሲ ኣሮን ከኣ ካብ ዘይቲ ቕብኣት ከዓወሉ፡ ምእንቲ ክቕድሶ ድማ ቀብኦ። 13ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ድማ፡ ሙሴ ንደቂ ኣሮን ኣቕረቦም፡ ቀመውሽ ታሕቲ ኸዲኑ ኸኣ ቅናውቲ ኣቐነቶም፡ መጠምጠምያታትውን ገበረሎም። 14ነቲ ዝራብዕ መስዋእቲ ሓጢኣት ድማ ኣቕረቦ፡ ኣሮንን ደቁን ከኣ ኣእዳዎም ኣብ ልዕሊ ርእሲ እቲ ዝራብዕ መስዋእቲ ሓጢኣት ኣንበሩ። 15ሓረዶ ድማ፡ ሙሴ ኸኣ ነቲ ደም ወሲዱ ኣብ ልዕሊ ኣቕርንቲ መሰውኢ ኣብ ዙርያኡ በጻብዑ ለኸየ እሞ ነቲ መሰውኢ ኣንጽሆ። ነቲ ደም ከኣ ኣብ እግሪ እቲ መሰውኢ ኸዓዎ፡ ንምትዕራቑ ድማ ቀደሶ። 16ንዂሉ ኣብ ናውቲ ኸብዲ ዝነበረ ስብሕን ቋንጡጥ ከብድን ክልቲኤን ኲሊት ምስ ስብሐንን ወሰደ፡ ሙሴ ድማ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ ኣሕረሮ። 17ነቲ ዝራብዕን ቈርበቱን ስጋኡን ፈርሱን፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ ኣብ ወጻኢ ሰፈር ብሓዊ ኣንደዶ። 18ነቲ ድዑል ዝሓርር መስዋእቲ ድማ ኣቕረቦ። ኣሮንን ደቁን ከኣ ኣእዳዎም ኣብ ልዕሊ ርእሲ እቲ ድዑል ኣንበሩ። 19ሙሴ ድማ ሓሪዱ ነቲ ደም ኣብ ልዕሊ መሰውኢ፡ ኣብ ዙርያኡ ነጸጎ። 20ነቲ ድዑል ድማ በብኽፍሉ ቘራረጾ፡ ሙሴ ኸኣ ነቲ ርእስን ነቲ ቘረርጽን ነቲ ስብሕን ኣሕረሮ። 21ነቲ ናውቲ ኸብድን ነቲ ኣእጋርን ብማይ ሓጸቦ። ሙሴ ድማ ንብዘሎ እቲ ድዑል ኣብ መሰውኢ ኣሕረሮ። ንሱ ንጥዑም ጨና እቲ ዝሓርር መስዋእቲ ዀነ። ንሱ ኸምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ሓዊ ዀነ። 22ነቲ ኻልኣይ ድዑል ከኣ፡ እቲ ድዑል ምቕዳስ፡ ኣቕረበ፡ ኣሮንን ደቁን ድማ ኣእዳዎም ኣብ ልዕሊ ርእሲ እቲ ድዑል ኣንበሩ። 23ሙሴ ድማ ሓሪዱ ኻብ ደሙ ወሲዱ፡ ንኣሮን መስቈር የማነይቲ እዝኑን ዓበይቶ የማነይቲ ኢዱን ዓበይቶ የማነይቲ እግሩን ለኸዮ። 24ንደቂ ኣሮን ድማ ኣቕረቦም። ሙሴ ኸኣ ካብቲ ደም ኣብ መስቈር የማኖት ኣእዛኖምን ዓበይቶ የማኖት ኣእዳዎምን ዓበይቶ የማኖት ኣእጋሮምን ለኸየ። ነቲ ደም ከኣ ሙሴ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ ኣብ ዙርያኡ ነጸጎ። 25ነቲ ስብሕን ኰልኰልን ኲሉ እቲ ኣብ ናውቲ ኸብዲ ዘሎ ቛንጡጥን ስብሒ ኸብድን ክልቲኤን ኲሊት ምስ ስብሐንን የማነይቲ እግርን ወሰደ። 26ካብቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዝነበረ ዘይበዂዐ እንጌራ ዝሓዘ መሶብ ድማ ሓደ ቕጫን ሓደ እንጌራ ዘይትን ሓደ ረቂቕ ቅጫን ወሲዱ ኣብ ልዕሊ እቲ ስብሕን የማነይቲ እግርን ኣንበሮ። 27እዚ ዂሉ ኣብ ኣእዳው ኣሮንን ኣብ ኣእዳው ደቁን ኣንበሮ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከኣ ንዝውዝወዝ መስዋእቲ ወዝወዞ። 28ሙሴ ድማ ካብ ኣእዳዎም ወሲዱ ኣብቲ መሰውኢ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝሓርር መስዋእቲ ኣሕረሮ። እዚ ምቕዳስ ንጥዑም ጨና፡ መስዋእቲ ሓዊ ንእግዚኣብሄር ኰነ። 29ሙሴ ድማ ነቲ ሓኸለ ወሲዱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንዝውዝወዝ መስዋእቲ ወዝወዞ። ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ ካብቲ ድዑል ምቕዳስ እዚ ግደ ሙሴ ገበረ። 30ሙሴ ድማ ካብቲ ዘይቲ ቕብኣትን ካብቲ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ ዝነበረ ደምን ወሲዱ፡ ኣብ ልዕሊ ኣሮንን ኣብ ልዕሊ ኣልባሱን ኣብ ልዕሊ ደቁን ኣብ ልዕሊ ኣልባስ ደቁ ኸኣ ምስኡ ነጸገ እሞ ንኣሮንን ነልባሱን ንደቁን ነልባስ ደቁ ኸኣ ምስኡ ቐደሰ። 31ሙሴ ድማ ንኣሮንን ንደቁን በሎም፥ ነዚ ስጋ ኸምቲ ኣነ፡ ኣሮንን ደቁን ይብልዕዎ፡ ኢለ ዝኣዘዝኩ፡ ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ኴንኩም ኣብስልዎ እሞ ምስቲ ኣብ መሶብ ምቕዳስ ዘሎ እንጌራ ኣብኡ ዄንኩም ብልዕዎ። 32ካብቲ ስጋን እንጌራን ዝተረፈ ኸኣ ብሓዊ ኣንድድዎ። 33ምቕዳስኩም ሾብዓተ መዓልቲ ክቕድሰኩም እዩ እሞ፡ መዓልትታት ምቕዳስኩም ክሳዕ ዝመልኣ፡ ሾብዓተ መዓልቲ ኻብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ኣይትውጽኡ። 34ንመተዓረቒኹም ድማ ከምዚ ሎሚ እተገብረ ኸምኡ ኸኣ ክግበር፡ እግዚኣብሄር ኣዘዘ። 35ከምኡ ተኣዚዘ እየ እሞ፡ ምእንቲ ኸይትሞቱ ሾብዓተ መዓልቲ፡ ለይትን መዓልትን ኣብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብ ተቐሚጥኩም፡ ትእዛዝ እግዚኣብሄር ሓልዉ። 36ኣሮንን ደቁን ድማ እግዚኣብሄር ብሙሴ ዝኣዘዞ ዂሉ ነገር ገበሩ።
ዘሌዋውያን ምዕራፍ 9
1ኰነ ድማ፡ ሙሴ ኣብ ሳምነይቲ መዓልቲ ንኣሮንን ንደቁን ንዓበይቲ እስራኤልን ጸውዖም። 2ንኣሮን ከኣ በሎ፥ ጐደሎ ዘይብሎም ተባዕታይ ጣዕዋ ንመስዋእቲ ሓጢኣት፡ ሓደ ድዑል ከኣ ንዝሓርር መስዋእቲ ወሲድካ ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣቕርቦም። 3ንደቂ እስራኤል ከኣ ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፥ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ሓደ ድቤላ፡ ንዝሓርር መስዋእቲ ድማ ሓደ ጣዕዋን ሓደ ገንሸልን፡ ዓመት ዝገበሩ ጐደሎ ዘይብሎም፡ ውሰዱ። 4ሎሚ እግዚኣብሄር ክረኣየኩም እዩ እሞ፡ ንመስዋእቲ ምስጋና ሓደ ዝራብዕን ሓደ ድዑልን ዘይቲ እተኻዕዎ መስዋእቲ ብልዕን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሰውኡ። 5እቲ ሙሴ ዝኣዘዞ ኸኣ ናብ ቅድሚ ድንኳን ምርኻብ ኣምጽኡ። ኲሉ እቲ ኣኼባ ድማ ቀሪቡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደው በለ። 6ሙሴ ኸኣ፡ እቲ እግዚብሄር ክትገብርዎ ዝኣዘዞ ነገር እዚ እዩ፡ ክብሪ እግዚኣብሄር ከኣ ክረኣየኩም እዩ፡ በለ። 7ሙሴ ድማ ንኣሮን፥ ናብ መሰውኢ ቐሪብካ ናይ ሓጢኣት መስዋእትኻን ዝሓርር መስዋእትኻን ሰውእ፡ ንርእስኻን ንህዝብን ከኣ ኣተዓርቕ። ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ድማ፡ መስዋእቲ ህዝቢ ሰውእ፡ ኣተዓርቆምውን፡ በሎ። 8ሽዑ ኣሮን ናብ መሰውኢ ቐረበ እሞ ነቲ ምእንታኡ መስዋእቲ ሓጢኣት ዝነበረ ጣዕዋ ሓረዶ። 9ደቂ ኣሮን ድማ እቲ ደም ኣቕረቡሉ፡ ንሱ ኸኣ ኣጻብዑ ኣብ ደም ጠሚዑ ኣቕርንቲ መሰውኢ ለኸየ፡ ነቲ ደም ከኣ ኣብ እግሪ መሰውኢ ኸዓዎ። 10ናይቲ መስዋእቲ ሓጢኣት ስብሕን ኰለሊትን ቋንጡጥ ከብድን ግና፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ ኣብ መሰውኢ ኣሕረሮ። 11ስጋኡን ቈርበቱን ከኣ ኣብ ወጻኢ ሰፈር ብሓዊ ኣንደዶ። 12ነቲ ዝሓርር መስዋእቲ ድማ ሓረደ። ደቂ ኣሮን ከኣ እቲ ደም ኣምጽኡሉ፡ ንሱ ድማ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ ኣብ ዙርያኡ ነጸጎ። 13ነቲ ዝሓርር መስዋእቲ በብቑራጹ፡ ነቲ ርእሱ ድማ ኣምጽኡሉ፡ ንሱ ኸኣ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ ኣሕረሮ። 14ንናውቲ ኸብድን ነእጋርን ሓጺቡ ድማ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝሓርር መስዋእቲ ኣብ መሰውኢ ኣሕረሮ። 15መስዋእቲ እቲ ህዝቢ ኣቕረበ እሞ ነቲ ድቤላ ምእንቲ ህዝቢ መስዋእቲ ሓጢኣት ዝነበረ ወሲዱ ሓረዶ፡ ከምቲ ቐዳማይ ከኣ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ሰውኦ። 16ነቲ ዝሓርር መስዋእቲ ድማ ከምቲ ሕጉግ ስርዓት ገይሩ ኣቕረቦ። 17ብጀካ እቲ ዝሓርር መስዋእቲ ብጊሓት ድማ፡ መስዋእቲ ብልዒ ኣቕረበ፡ ካብኡ ኢድ ምሉእ ወሲዱ ኸኣ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ መሰውኢ ኣሕረሮ። 18ነቲ ዝራብዕን ድዑልን ድማ ምእንቲ ህዝቢ መስዋእቲ ምስጋና ዝነበረ ሓረዶ። ደቂ ኣሮን ከኣ ነቲ ደም ኣምጽኡሉ፡ ንሱ ድማ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ ኣብ ዙርያኡ ነጸጎ። 19ስብሕታት እቲ ዝራብዕን ናይቲ ድዑል ኰልኰሉን ንናውቲ ኸብዲ ዘጐልብብ ቋንጡጥን ኰለሊትን ስብሒ ኸብድን፡ 20ነቲ ስብሕታት ኣብ ልዕሊ ሓኸሌታት ገበርዎ፡ ንሱ ኸኣ ነቲ ስብሕታት ኣብ መሰውኢ ኣሕረሮ። 21ኣሮን ከኣ ነተን ሓኸሌታትን የማነይቲ እግርን፡ ከምቲ ሙሴ ዝኣዘዞ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንዝውዝወዝ መስዋእቲ ወዝወዘን። 22ኣሮን ድማ ኣእዳዉ ናብቲ ህዝቢ ኣልዒሉ ባረኾም። መስዋእቲ ሓጢኣትን ዝሓርር መስዋእትን መስዋእቲ ምስጋናን ምስ ሰውአ፡ ወረደ። 23ሙሴን ኣሮንን ድማ ናብ ድንኳን ምርኻብ ኣተዉ፡ ወጺኦም ከኣ ነቲ ህዝቢ ባረኽዎ። ክብሪ እግዚኣብሄር ድማ ንዂሉ እቲ ህዝቢ ተራእዮ። 24ሓዊ ኸኣ ካብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ወጸ፡ ነቲ ዝሓርር መስዋእትን ነቲ ስብሕታትን ኣብ ልዕሊ መሰውኢ በልዖ። ኲሎም እቶም ህዝቢ ምስ ረኣዩ፡ እልል በሉ፡ ብገጾም ከኣ ፍግም በሉ።
ዘሌዋውያን ምዕራፍ 10
1ናዳብን ኣቢሁን፡ ደቂ ኣሮን፡ ጸጽንሃሆም ሓዙ፡ ሓዊ ድማ ገበሩሉ፡ ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ዕጣን ኣንበሩሉ፡ ንሱ ዘይኣዘዞም ጋሻ ሓዊ ድማ ናብ እግዚኣብሄር ኣቕረቡ። 2ሓዊ ኻብ እግዚኣብሄር ወጺኡ ኸኣ በልዖም፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ድማ ሞቱ። 3ሽዑ ሙሴ ንኣሮን፥ በቶም ዝቐርቡኒ ክቕደስ እየ፡ ኣብ ቅድሚ ዂሉ ህዝቢ ኸኣ ክኸብር እየ፡ ኢሉ፡ እግዚኣብሄር እተዛረቦ እዚ እዩ፡ በሎ። ኣሮን ድማ ትም በለ። 4ሙሴ ድማ ንሚሳኤልን ንኤልሳፋንን፡ ደቂ ኡዚኤል፡ ሓው ኣቦ ኣሮን፡ ጸዊዑ፥ ቅረቡ እሞ ነሕዋትኩም ካብ መቕደስ ንወጻኢ ሰፈር ውሰድዎም፡ በሎም። 5ንሳቶም ድማ ቀረቡ እሞ፡ ከምቲ ሙሴ ዝበሎም፡ ካብ ሰፈር ንወጻኢ ብቐማውሾም ጾርዎም። 6-7ሙሴ ድማ ንኣሮንን ንደቁ፡ ኣልኣዛርን ኢታማርን፥ ዘይቲ ቕብኣት እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሌኹም እዩ እሞ፡ ከይትሞቱስ፡ ነዚ ኣኼባውን ንሱ ኸይኲርየሉ፡ ርእስኹም ኣይተወይፉ፡ ክዳውንትኹም ከኣ ኣይትቕደዱ። በዚ እግዚኣብሄር ዘቃጸሎ ምዳድ ኣሕዋትኩም ብዘላ ቤት እስራኤል ትብከ፡ ምእንቲ ኸይትሞቱ፡ ካብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ኣይትውጽኡ፡ በሎም። ከምቲ ሙሴ ዝበሎ ኸኣ ገበሩ። 8እግዚኣብሄር ድማ ንኣሮን ከምዚ ኢሉ ተዛረቦ፥ 9-11ንደቂ እስራኤል እቲ እግዚኣብሄር ብሙሴ ዝነገሮም ኲሉ ሕጋጋት ምእንቲ ኽትምህርዎም፡ ኣብ መንጎ ቅዱስን ዘይቅዱስን፡ ኣብ መንጎ ንጹህን ርኹስን ድማ ክትፈልዩ፡ ንስኻን ደቅኻን ናብ ድንኳን ምርኻብ ክትኣትዉ ኸሎኹም፡ ምእንቲ ኸይትሞቱ፡ ወይንን ዘስክርን ኣይትስተዩ። እዚ ንውሉድ ወለዶኹም ሕጊ ዘለኣለም ይኹንኩም። 12ሙሴ ድማ ንኣሮንን ነቶም ዝተረፉ ደቁ፡ ኣልኣዛርን ኢታማርን፡ ተዛረቦም፥ ነቲ ኻብ መስዋእቲ ሓዊ እግዚኣብሄር ዝተረፈ መስዋእቲ ብልዒ ውሰድዎ፡ ቅዱስ ቅዱሳን እዩ እሞ፡ ቅጫ ጌርኩም ኣብ ጥቓ መሰውኢ ዄንኩም ብልዕዎ። 13እዚ ኻብ መስዋእቲ ሓዊ እግዚኣብሄር መሰልካን መሰል ደቅኻን እዩ እሞ፡ ኣብ ቅድስቲ ቦታ ዄንኩም ብልዕዎ፡ ከምኡ ኣዚዙኒ እዩ። 14ካብ መስዋእቲ ምስጋና ደቂ እስራኤል ድማ እቲ ዝውዝወዝ ሓኸለን ዝልዓል እግርን መሰልካን መሰል ደቅኻን ኰይኑ ተዋሂቡ እዩ እሞ፡ ንስኻን ምሳኻ ድማ ኣወዳትካን ኣዋልድካን ኣብ ንጽህቲ ቦታ ዄንኩም ብልዕዎ። 15ምስናይ እቲ ብሓዊ ዝስዋእ ስብሕታት ከኣ ነቲ ዝልዓል እግርን ዝውዝወዝ ሓኸለን ንዝውዝወዝ መስዋእቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክውዝወዝ የምጽእዎ፡ እዚ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ፡ ንኣኻ ንደቅኻ ድማ ምሳኻ መሰል ዘለኣለም ይኹን። 16ሙሴ ድማ ነቲ ድቤላ መስዋእቲ ሓጢኣት ኣዝዩ ደለዮ፡ እንሆ ኸኣ ሓሪሩ ነበረ። ሽዑ ነቶም ዝተረፉ ደቂ ኣሮን፡ ኣልኣዛርን ኢታማርን፡ ከምዚ ኢሉ ዀረየሎም፥ 17በደል እቲ ኣኼባ ጼርኩም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከተትዓርቕዎም፡ ንእኡ ሂቡኩም እዩ፡ ንሱ ኸኣ ቅዱስ ቅዱሳን እዩ እሞ፡ ስለምንታይ ኢኹም ንመስዋእቲ ሓጢኣት ኣብ ቅድስቲ ቦታ ዄንኩም ዘይበላዕኩምዎ፧ 18እንሆ፡ ደሙ ናብ ውሽጢ መቕደስ ኣየእተውዎን፡ ከምቲ ዝኣዘዝክዎ፡ ኣብ ምቕደስ ኴንኩም ክትበልዕዎ፡ ርግጽ ምተገብኣኩም ነይሩ። 19ኣሮን ድማ ንሙሴ ተዛረቦ፥ እንሆ፡ መስዋእቲ ሓጢኣቶምን ዝሓርር መስዋእቶምን ሎሚ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣቕሪቦም እዮም፡ ንኣይ ከኣ ከምዚ ዝበለ ምስ በጽሓኒ፡ ሎሚ መስዋእቲ ሓጢኣት እንተ ዝበልዕሲ፡ ኣብ ዓይኒ እግዝኣብሄርዶ ባህ መበለ፧ 20ሙሴ እዚ ሰሚዑ ባህ በሎ።
ዘሌዋውያን ምዕራፍ 11
1እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ንኣታቶም ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም፥ 2ንደቂ እስራኤል ከምዚ ኢልኩም ተዛረብዎም፥ ካብ ኲሎም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ህይወት ዘለዎም፡ እትበልዕዎም እንስሳታት እዚኣቶም እዮም፥ 3ካብ እንስሳ ጽፍሩ ስንጡቕ፡ ሸዀናኡ ድማ እተመቕለ፡ መጒስዕ ዝመልስ ዘበለ ብልዑ። 4ግናኸ መጒስዕ ካብ ዝመልሱ ወይስ ካብ ሸዀናኦም ዝምቘል፡ እዚኣቶም ኣይትብልዑ፡ ገመል መጒስዕ ትመልስ እያ፡ ሸዀናኣ ግና ኣይተመቕለን እዩ እሞ፡ ንሳ ንኣኻትኩም ርኽስቲ እያ። 5ጊሔ ድማ፡ መጒስዕ ትመልስ እያ፡ ሸዀናኣ ግና ኣይተመቕለን እዩ እሞ፡ ንሳ ንኣኻትኩም ርኽስቲ እያ። 6ማንትሌ ኸኣ፡ መጒስዕ ትመልስ እያ፡ ሸዀናኣ ግና ኣይተመቕለን እዩ እሞ፡ ንሳ ንኣኻትኩም ርኽስቲ እያ። 7ሓሰማ ድማ ሸዀናኣ ምቑል እዩ፡ መጒስዕ ግና ኣይትመልስን እያ እሞ፡ ንሳ ንኣኻትኩም ርኽስቲ እያ። 8ንኣኻትኩም ርኹሳት እየን እሞ፡ ካብ ስጋአን ኣይትብልዑ፡ ገምበንውን ኣይትተንክዩ። 9ኣብ ማይ ካብ ዘሎ ዂሉ እዚ ብልዑ፥ ኣብ ማይ፡ ኣብ ባሕርን ኣብ ርባታትን ዝነብሩ፡ ክንፍን ቅረፍትን ዘለዎም ኲሎም፡ ንኣታቶም ብልዕዎም። 10ግናኸ ኣብ ማይ ካብ ዝዋሳወስ ኲሉን፡ ኣብ ማይ ካብ ዝነብር ኲሉ ህያው ትንፋስን፡ ኣብ ባሕርን ኣብ ርባን ዘሎ ኽንፍን ቅረፍትን ዘይብሉ ዂሉ፡ ንሳቶም ንኣኻትኩም ፍንፉናት እዮም። 11ንኣኻትኩም ፍንፉናት ይኹኑ፡ ካብ ስጋኦም ኣይትብልዑ፡ ንገምቦም ከኣ ፈንፍንዎ። 12ኣብ ማይ ዘሎ ኽንፍን ቅረፍትን ዘይብሉ ዂሉ፡ ንሱ ንኣኻትኩም ፍንፉን ይኹን። 13ካብ ኣዕዋፍ ድማ እትፍንፍንወን፡ ዘይብልዓ፡ እዚኣተን እየን፡ ንሳተን ፍንፉናት እየን፥ ንስርን ገምብን ወሓጥ ዓሳን፡ 14ጻዕዳ ኸርሶ፡ በላዕ ልኻይ በብዓይነቱ። 15ኲሉ ኳዂ በብዓይነቱ፡ 16ሰገንን ጒጒትን ሮብራን፡ ተገዳር ሓረስታይ ድማ በብዓይነቱ። 17ንእሽቶ ጒንጓን ሓሓትን ዓባይ ጒንጓን፡ 18ቀራን ጒንጓን ቀያሕ ሓሓትን ኣሞራን፡ 19ራዛን ሰብ ጸራድ ድማ በብዓይነቱ፡ ተምብሃረጆን መንካዕን። 20ኲሉ ነፋሪ በርባዕተ መሓውር ዝኸይድ ለመምታ ንኣኻትኩም ፍንፉን እዩ። 21ኣርባዕተ መሓውር ካብ ዘለዎ ዂሉ ነፋሪ ለመምታ ኣብ ልዕሊ እግሩ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ዝሰርርን ክልተ ሰለፍ ዘለዋኦ ብልዑ። 22ካባታቶም እትበልዕዎም እዚኣቶም እዮም፡ ፋንጣ በብዓይነቱን፡ ኣንበጣ በብዓይነቱን ኲብኲብታ በብዓይነቱን ጐደበ በብዓይነቱን። 23ኣርባዕተ መሓውር ዘለዎ ዂሉ ነፋሪ ለመምታ ግና ንሱ ንኣኻትኩም ፍንፉን እዩ። 24በዚኣቶም ትረኽሱ ኢኹም፡ ነፍሲ ወከፍ ገምቦም ዝተንከየ ኽሳዕ ምሸት ርኹስ እዩ። 25ነፍሲ ወከፍ ገምቦም ዘልዓለ ኸኣ፡ ክዳኑ ይሕጸብ፡ ክሳዕ ምሸት ድማ ይርከስ። 26ኲሉ እንስሳ ምቑል ሸዀና ዘለዎ እሞ ፈጺሙ ዘይተሰንጠቐ መጒስዕ ድማ ዘይመልስ፡ ንኣኻትኩም ርኹስ እዩ፡ ዝተንከዮ ዘበለ ርኹስ እዩ። 27በርባዕተ መሓውር ካብ ዝኸይድ ኲሉ እንስሳ፡ ብግናዕ ኢዱ ዝኸይድውን፡ ንሳቶም ንኣኻትኩም ርኹሳት እዮም። ገምቦም ዝተንከየ ዘበለ ኽሳዕ ምጸት ርኹስ እዩ። 28ገምቦም ዘልዓለ ዘበለ ድማ ክዳኑ ይሕጸብ፡ ክሳዕ ምሸትውን ይረክስ። እዚኣቶም ንኣኻትኩም ርኹሳት እዮም። 29ኣብ ምድሪ ለመም ካብ ዝብሉ ለመምታ ድማ እዚኣቶም ንኣኻትኩም ርኹሳት እዮም፥ ፍሒራን ኣንጭዋን ሓማት ተመን ከኣ በብዓይነቱ፡ 30ጠበቕን ቁርብዖን ጐብየን ምንጭልቑትን ነፋሒቶን። 31ካብ ኲሉ ለመም ዝብል እዚኣቶም ንኣኻትኩም ርኹሳት እዮም። ምስ ሞቱ፡ ዝተንከዮም ዘበለ ኽሳዕ ምሸት ይረክስ። 32ኣብ ልዕሊ ዝዀነ ነገር፡ ኣቕሓ ዕጭ እንተ ዀይኑ፡ ወይ ክዳን፡ ወይ ጒኖ፡ ወይ ከረጺት፡ ዝዀነ ዝዕየዮ ኣቕሓ፡ ካብ እዚኣቶም ምስ ሞተ ዝወደቖ ድማ ይረክስ እሞ ናብ ማይ ይእቶ፡ ክሳዕ ምሸት ድማ ይረክስ፡ ሽዑ ይነጽህ። 33ኣብ ዝዀነ ኣቕሓ መሬት ካብ እዚኣቶም ኣብ ውሽጡ ዝወደቖ ኸኣ ኣብ ውሽጡ ዘሎ ዂሉ ይረክስ፡ ነቲ ኣቕሓ ድማ ስበርዎ። 34ኣብኡ ኻብ ዘሎ ዝብላዕ ኲሉ ማይ ዝኣተዎ ብልዒ ይረክስ። ብዝዀነ ኸምዚ ዝበለ ኣቕሓ ዝስተ ዂሉ መስተ ርኹስ እዩ። 35ዝዀነ ነገር ካብ ገምቢ እዚኣቶም ዝወደቖ ኸኣ ይረክስ፡ እቶን ወይ ምድጃ ይፍረስ፡ ንሳቶም ርኹሳት እዮም፡ ንኣኻትኩም ድማ ርኹሳት ይኹኑ። 36ዓይኒ ማይ ወይ ማይ ዝዕቈሮ ሓጽቢ ግና ንጹህ እዩ። ነቲ ገምቢ ዝተንከየ ደኣ ይረክስ። 37ካብ ገምቦም ገለ ኣብ ዝዝራእ ዘርኢ እንተ ወደቐ ኸኣ፡ ንሱ ንጹህ እዩ። 38ኣብ ልዕሊ እቲ ዘርኢ ማይ እንተ ተኻዕዎ እሞ ካብቲ ገምቦም ገለ እንተ ወደቖ፡ ንኣኻትኩም ርኹስ እዩ። 39ካብቶም ንመብልዕ ዝዀኑኹም እንስሳ ገለ እንተ ሓለቐ፡ እቲ ነቲ ገምቡ ዝተንከዮ ኽሳዕ ምሸት ይረክስ። 40ካብቲ ገምቡ ዝበልዐ ኸኣ ክዳኑ ይሕጸብ፡ ክሳዕ ምሸት ድማ ይረክስ። ነቲ ገምቡ ዘልዓሎውን፡ ክዳኑ ይሕጸብ፡ ክሳዕ ምሸት ድማ ይረክስ። 41ኣብ ምድሪ ለመም ዝብል ኲሉ ለመምታ ኸኣ ፍንፉን እዩ፡ ኣይበላዕ ድማ። 42ኲሉ ብኸብዱ ዝኸይድን በርባዕተ መሓውር ዝኸይድ፡ ወይ ብዙሕ ኣእጋር ዘለዎ ዘበለ፡ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ለመም ዝብል ኲሉ ለመምታን፡ ንሳቶም ፍንፉናት እዮም እሞ፡ ኣይትብልዕዎም። 43በቲ ለመም ዝብል ኲሉ ለመምታ ንነፍሳትኩም ኣይተፈንፍኑ፡ ብኣታቶም ከይትረኽሱ፡ ርእስኹም ብኣታቶም ኣይተርክሱ። 44ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ እሞ፡ ተቐደሱ። ኣነ ቅዱስ እየ እሞ፡ ቅዱሳት ኩኑ። ኣብ ምድሪ ብዝዋሳወስ ኲሉ ለመምታ ነፍሳትኩም ኣይተርክሱ። 45ኣምላኽኩም ክኸውን ኢለ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘደየብኩኹም፡ ኣነ እግዚኣብሄር እየ። ኣነ ቅዱስ እየ እሞ፡ ቅዱሳት ኩኑ። 46-47ኣብ መንጎ ርኹስን ንጹህን፡ ኣብ መንጎ ዝብላዕ ህያውን ዘይብላዕ ህያውን ምእንቲ ኽትፈልዩ፡ ብዛዕባ እንስሳን ኣዕዋፍን ኣብ ማይ ዝዋሳወስ ህይወት ዘለዎ ዂሉ እንስሳን ኣብ ምድሪ ለመም ዝብል ኲሉ እንስሳን እቲ ሕጊ እዚ እዩ።
ዘሌዋውያን ምዕራፍ 12
1እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ 2ንደቂ እስራኤል ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፡ ሰበይቲ እንተ ጠነሰት፡ ወዲ ኸኣ እንተ ወለደት፡ ሾብዓተ መዓልቲ ትርከስ፡ ከምቲ ብመዓልትታት ሕማም ጻግኒኣ ትርከስ። 3ብሳምነይቲ መዓልቲ ድማ ስጋ ዕልቦኡ ይገዘር። 4በቲ ደም ንጽህናኣ ኸኣ ሰላሳን ሰለስተን መዓልቲ ትቀመጥ፡ መዓልትታት ምንጽሃ ኽሳዕ ዝመልአ ቅዱስ ነገር ኣይትተንኪ ናብ መቕደስውን ኣይትእቶ። 5ጓል እንተ ወለደት ግና፡ ከምቲ ብእዋን ጻግኒአ ኽልተ ሰሙን ትርከስ፡ በቲ ደም ጽርየታ ኸኣ ስሳን ሹድሽተን መዓልቲ ትቀመጥ። 6ናይ ወዲ ወይ ናይ ጓል መዓልትታት ምንጻህ ምስ መልአ፡ ገንሸል ዓመት ንዝሓርር መስዋእቲ ጫጩት ርግቢ ወይ ከኣ ባሬቶ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ናብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ናብ ካህን ተምጽእ። 7ንሱ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የቕርቦ፡ የተዓርቃ ኸኣ፡ ካብ ዓይኒ ደማውን ትነጽህ። ሕጊ እታ ወዲ ወይ ጓል ዝወለደት እዚ እዩ። 8ገንሸል ዝኣክል ኣብ ኢዳ እንተ ዘይረኸበት ከኣ፡ ክልተ ባሬቶ ወይ ክልተ ጫጩት ርግቢ፡ ሓንቲ ንዝሓርር መስዋእቲ፡ ካልኣይቲ ኸኣ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ተምጽእ። እቲ ኻህን ድማ የተዓርቃ፡ ትነጽህ ከኣ።
ዘሌዋውያን ምዕራፍ 13
1እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም፡ 2ሰብ ኣብ ቈርበት ስጋኡ ሕበጥ ወይ ሽሒር ወይ ብሩህ ብሮት እንተለዎ፡ ኣብ ቈርበት ስጋኡ ኸኣ ከም ቁስሊ ለምጺ ዝበለ እንተ ዀነ፡ ናብ ካህን ኣሮን ወይ ካብቶም ደቁ ኻህናት ናብ ሓደ የምጽእዎ። 3እቲ ኻህን ድማ ነቲ ኣብ ቈርበት ስጋኡ ዘሎ ቑስሊ ይርአ፡ ኣብቲ ቑስሊ ዘላ ጸጒሪ እንተ ጻዕደወት፡ እቲ ቑስሊ ኸኣ ካብ ቈርበት ስጋኡ ጐድጒዱ እንተ ተራእየ፡ ቁስሊ ለምጺ እዩ። እቲ ኻህን ምስ ረኣዮ፡ ርኹስ ምዃኑ ይንገር። 4እቲ ብሩህ ብሮት ኣብ ቈርበት ስጋኡ እንተ ጻዕደወ፡ ካብቲ ቘርበት ከኣ ዓሚቑ እንተ ዘይተራእየ፡ ጸጒሩውን እንተ ዘይጻዕደወ፡ እቲ ኻህን ድማ ነቲ ቑሱል ሾብዓተ መዓልቲ ይዕጸዎ። 5እቲ ኻህን ከኣ ኣብ ሳብዐይቲ መዓልቲ ይርኣዮ፡ እንሆ ድማ፡ እቲ ቑስሊ ኸምቲ ዝነበሮ እንተሎ፡ እቲ ቑስሊ ኸኣ ኣብቲ ቖርበት እንተ ዘይለሓመ፡ እቲ ኻህን ካልኦት ሾብዓተ መዓልቲ ይዕጸዎ። 6እቲ ኻህን ድማ ኣብ ሳብዐይቲ መዓልቲ ኻልኣይ ሳዕ ይርኣዮ፡ እንሆ ኸኣ፡ እቲ ቑስሊ እንተ ፋሕሸወ፡ ኣብቲ ቘርበትውን እንተ ዘይለሓመ፡ ንሱ ሽሒር እዩ፡ እቲ ኻህን ድማ ንጹህ ምዃኑ ይንገር። ክዳውንቱ ይሕጸብ እሞ ይነጽህ። 7ንምንጻህ ኣብ ካህን ምስ ተራእየ፡ እቲ ሽሒር ኣብ ቈርበቱ እንተ ለሓመ፡ ካልኣይ ሳዕ ኣብ ካህን ይርአ። 8እቲ ኻህን ድማ ይርኣዮ፡ እንሆ ኸኣ፡ እቲ ሽሒር ኣብቲ ቘርበት እንተ ለሓመ፡ ንሱ ለምጺ እዩ፡ ሽዑ ርኹስ ምዃኑ እቲ ኻህን ይንገር። 9ንሰብ ቁስሊ ለምጺ እንተለዎ፡ ናብ ካህን የምጽእዎ። 10እቲ ኻህን ድማ ይርኣዮ፡ እንሆ ኸኣ፡ ኣብ ቈርበቱ ጻዕዳ ሕበጥ እንተሎ፡ ንሱ ኸኣ ነቲ ጸጒሪ እንተ ኣጻዕደዎ፡ ኣብቲ ሕበጥ ድማ ብርንዶ ዝመስል ስጋ እንተሎ፡ 11ንሱ ኣብ ቈርበት ስጋኡ ኣረጊት ለምጺ እዩ፡ ርኹስ ምዃኑ ድማ እቲ ኻህን ይንገር። ርኹስ እዩ እሞ፡ ኣይዕጾዎ። 12እቲ ለምጺ ኣብ ቈርበት ገፊሑ እንተ ወጸ፡ እቲ ለምጺ ኸኣ ነቲ ቑሱል፡ ዓይኒ እቲ ኻህን ዝርእዮ ዘበለ፡ ካብ ርእሱ ኽሳዕ እግሩ ንዂሉ ቘርበቱ እንተ ኸደኖ፡ 13ሽዑ እቲ ኻህን ይርኣዮ፡ እንሆ ኸኣ፡ ንብዘሎ ስጋኡ ለምጺ እንተ ኸደኖ፡ ሽዑ እቲ ቑሱል ከም ዝነጽሄ ይንገር። ብዘሎ ጻዕድዩ እዩ፡ ንሱ ንጹህ እዩ። 14በታ ብርንዶ ዝመስል ስጋ እተራእየላ መዓልቲ ግና ርኹስ እዩ። 15እቲ ኻህን ብርንዶ ዝመስል ስጋ ምስ ዝርኢ፡ ርኹስ ምዃኑ ይንገር። እቲ ብርንዶ ዝመስል ስጋ፡ ንሱ ርኹስ እዩ፡ ንሱ ለምጺ እዩ። 16ወይ እቲ ብርንዶ ዝመስል ስጋ መሊሱ ኣብ ጻዕዳ እንተ ተለወጠ፡ ናብ ካህን ይምጻእ። 17እቲ ኻህን ድማ ይርኣዮ፡ እንሆ ኸኣ፡ እቲ ቑስሊ መሊሱ እንተ ጻዕደወ፡ ሽዑ እቲ ኻህን እቲ ቑሱል ንጹህ ምዃኑ ይንገር፡ ንሱ ንጹህ እዩ። 18ንስጋ ኣብ ቈርበቱ ዝሓወየ ቑስሊ እንተለዎ፡ 19ኣብቲ በሰላ ኸኣ ጻዕዳ ሕበጥ ወይ ብሩህ ቅይሕ ዝበለ ጻዕዳ ብሮት እንተሎ፡ ሽዑ ኣብ ካህን ይርአ። 20እቲ ኻህን ድማ ይርኣዮ፡ እንሆ ኸኣ፡ ካብቲ ቘርበት ጐድጒዱ እንተ ተራእየ፡ ጸጒሪ ኸኣ መሊሱ እንተ ጻዕደወ፡ ሽዑ ርኹስ ምዃኑ እቲ ኻህን ይንገር፡ ንሱ ኣብ በሰላ ዝወጸ ቑስሊ ለምጺ እዩ። 21እቲ ኻህን እንተ ረኣዮ እሞ፡ እንሆ ኸኣ፡ ኣብኡ ጻዕዳ ጸጉሪ እንተ ዘይልቦ፡ ካብቲ ቘርበትውን እንተ ዘይጐድጐደ፡ ንሱ ድማ እንተ ፋሕሸወ፡ ሽዑ እቲ ኻህን ሾብዓተ መዓልቲ ይዕጸዎ። 22ኣብቲ ቘርበት እንተ ለሓመ ኸኣ፡ ንሱ ቑስሊ ለምጺ እዩ፡ ሽዑ ርኹስ ምዃኑ እቲ ኻህን ይንገር። 23እቲ ብሩህ ብሮት ከይለሓመ ኣብቲ ዘለዎ እንተ ቘመ ድማ፡ ንሱ በሰላ ቑስሊ እዩ፡ ንጹህ ምዃኑ ኸኣ እቲ ኻህን ይንገር። 24ወይ እቲ ስጋ ኣብ ቈርበቱ ንዳድ ሓዊ እንተለዎ፡ እሞ ኣብቲ ንዳድ ሓዊ ቅይሕ ዝበለ ጻዕዳ ወይ ጻዕዳ ብሩህ ብሮት እንተ ዀነ። 25ሽዑ እቲ ኻህን ይርኣዮ፡ እንሆ ኸኣ፡ ጸጒሪ እቲ ብሩህ ብሮት መሊሱ እንተ ጻዕደወ፡ ካብቲ ቘርበት ከኣ ጐድጒዱ እንተ ተራእየ፡ ንሱ ኣብቲ በሰላ ሓዊ ዝወጾ ለምጺ እዩ፡ ንሱ ቑስሊ ለምጺ እዩ፡ ርኹስ ምዃኑ ድማ እቲ ኻህን ይንገር። 26ግናኸ እቲ ኻህን እንተ ረኣዮ፡ እንሆ ድማ፡ ኣብቲ ብሩህ ብሮት ጻዕዳ ጸጒሪ እንተ ዘይልቦ፡ ካብቲ ቘርበት ከኣ እንተ ዘይጐድጐደ እንተ ፋሕሸወ ድማ፡ እቲ ኻህን ሾብዓተ መዓልቲ ይዕጾዎ። 27ኣብታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ኸኣ እቲ ኻህን ይርኣዮ፡ ኣብ ቈርበቱ እንተ ለሓመ፡ ንሱ ቑስሊ ለምጺ እዩ፡ ሽዑ ርኹስ ምዃኑ እቲ ኻህን ይንገር። 28እቲ ብሩህ ብሮት ኣብቲ ዘለዎ እንተ ቘመ ኸኣ፡ ኣብ ቈርበትውን እንተ ዘይለሓመ፡ ንሱ ድማ እንተ ፋሕሸወ፡ ንሱ ሕበጥ ሓዊ እዩ፡ በሰላ ሓዊ እዩ እሞ፡ እቲ ኻህን ንጹህ ምዃኑ ይንገር። 29ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ ኣብ ርእሲ ወይ ኣብ ጭሕሚ ቑስሊ እንተለዎ፡ 30እቲ ኻህን ነቲ ቑስሊ ይርኣዮ፡ እንሆ ኸኣ፡ ካብቲ ቘርበት ጐድጒዱ እንተ ተራእየ፡ ናብ ቀጢን ብጫ ዘይብል ጸጉሪ ኸኣ እንተለዎም፡ ንሱ ዕንፍሩር እዩ ናይ ርእሲ ወይ ናይ ጭሕሚ ለምጺ እዩ፡ ሽዑ ርኹስ ምዃኑ እቲ ኻህን ይንገር። 31እቲ ኻህን ነቲ ቑስሊ ዕንፍሩር እንተ ረኣየ፡ እንሆ ኸኣ፡ ካብቲ ቖርበት ዓሚቑ እንተ ዘይተራእየ፡ ጸሊም ጸጒሪ ድማ እንተ ዘይብሉ፡ ነቲ ቑስሊ ዕንፍሩር ዘለዎ እቲ ኻህን ሾብዓተ መዓልቲ ይዕጸዎ። 32ኣብ ሳብዓይቲ መዓልቲ ድማ እቲ ኻህን ነቲ ቑስሊ ይርኣዮ፡ እንሆ ኸኣ፡ እቲ ዕንፍሩር እንተ ዘይለሓመ፡ ናብ ብጫ ዘይብል ጸጒሪውን እንተ ዘይብሉ፡ እቲ ዕንፍሩር ከኣ ካብቲ ቘርበት ዓሚቑ እንተ ዘይተራእየ፡ 33ንሱ ይላጸ፡ ነቲ ዕንፍሩር ዘለዎ ግና ኣይላጽዮ፡ እቲ ኻህን ድማ ነቲ ዕንፍሩር ዘለዎ መሊሱ ሾብዓተ መዓልቲ ይዕጸዎ። 34ኣብ ሳብዐይቲ መዓልቲ ኸኣ እቲ ኻህን ነቲ ዕንፍሩር ይርኣዮ፡ እንሆ ድማ፡ እቲ ዕንፍሩር ኣብ ቈርበት እንተ ዘይለሓመ፡ ካብቲ ቘርበትውን ዓሚቑ እንተ ዘይተራእየ፡ እቲ ኻህን ንጹህ ምዃኑ ይንገር፡ ክዳውንቱ ድማ ይሕጸብ፡ ይነጽህ ከኣ። 35ድሕሪ ምንጻሁ ግና እቲ ዕንፍሩር ኣብቲ ቘርበት እንተ ለሓመ፡ 36እቲ ኻህን ይርኣዮ። እንሆ ድማ፡ እቲ ዕንፍሩር ኣብ ቈርበት እንተ ለሓመ፡ እቲ ኻህን ናብ ብጫ ዘይብል ጸጒሪ እንተሎ ኢሉ ኣይድለ፡ ንሱ ርኹስ እዩ። 37እቲ ዕንፍሩር ኣብቲ ዘለዎ ቘይሙ፡ ኣብኡውን ጸሊም ጸጒሪ በቑሉ እንተ ረኣየ ግና፡ እቲ ዕንፍሩር ሓውዩ እዩ፡ ንሱ ንጹህ እዩ፡ እቲ ኻህን ድማ ንጹህ ምዃኑ ይንገር። 38ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ ኣብ ቈርበት ስጋኡ ብሩህ ብሮት፡ ጻዕዳ ብሩህ ብሮት እንተለዎ፡ 39እቲ ኻህን ይረኣዮ፡ እንሆ ኸኣ፡ እቲ ኣብ ቈርበት ስጋኦም ዘሎ ብሩህ ብሮት ፍሕሽው ዝበለ ጻዕዳ እንተ ዀነ፡ እዚ ኣብ ቈርበት ዝወጸ ተውሳስ እዩ፡ ንሱ ንጹህ እዩ። 40ሰብ ጸጒሪ ርእሱ እንተ ተመልጠ፡ ናይ ምንኳዕ እዩ፡ ንሱ ንጹህ እዩ። 41ርእሱ ብሸነኽ ቅድሚት እንተ ተመልጠ ድማ፡ ምብራሕ እዩ፡ ንሱ ንጹህ እዩ። 42ኣብ ነዃዑ ወይ ኣብ በራሕ ርእሱ ቕይሕ ዝበለ ጻዕዳ ቑጽሊ እንተለዎ፡ ንሱ ኣብ ነዃዑ ወይ ኣብ በራሑ ዝወጾ ለምጺ እዩ። 43እቲ ኻህን ድማ ይርኣዮ፡ እንሆ ኸኣ፡ እቲ ኣብ ነዃዑ ወይ ኣብ በራሑ ዘሎ ሕበጥ ቁስሊ፡ ከምቲ ናይ ቈርበት ስጋ ለምጺ ቅይሕ ዝበለ ጻዕዳ ዀይኑ እንተ ተራእየ፡ 44ለምጻም ሰብ እዩ። ንሱ ርኹስ እዩ፡ ርኹስ ምዃኑ እቲ ኻህን ኣርጊጹ ይንገረሉ፡ ቁስሉ ኣብ ርእሱ ኣሎ። 45እቲ ቑስሊ ዘለዎ ለምጻም ክዳኑ ቕዱድ ይኹን፡ ርእሱ ኸኣ ይቀላዕ፡ ጭሕሙ ድማ ይኽደን፡ ርኹስ፡ ርኹስ፡ ኢሉ ኸኣ ይጨርሕ። 46ቁስሊ ዘለዎ ዂሉ መዓልቲ ርኹስ ይኹን፡ ንሱ ርኹስ እዩ። ንበይኑ ይቀመጥ፡ ምቕማጡ ኣብ ወጻኢ ሰፈር ይኹን። 47-48ኣብ ክዳን ድማ፡ ኣብ ክዳን ጸጒሪ ወይ ኣብ ክዳን ልሕጺ እንጣጢዕ፡ ኣብ ቅጥኒ ወይ ኣብ ፋእሚ ናይ እንጣጢዕ ወይ ናይ ጸጒሪ፡ ወይ ኣብ ቈርበት ወይ ኣብ ዝዀነ ኻብ ቈርበት እተገብረ ነገር፡ ቁስሊ ለምጺ እንተለዎ፡ 49እቲ ቑስሊ ድማ ኣብ ክዳን ወይ ኣብ ቈርበት ወይ ኣብ ቅጥኒ ወይ ኣብ ፋእሚ ወይ ኣብ ዝዀነ ኣቕሓ ቘርበት፡ ሕምልይ ወይ ቅይሕ እንተ በለ፡ ንሱ ቑስሊ ለምጺ እዩ፡ ኣብ ካህን ድማ ይረአ። 50እቲ ኻህን ከኣ ነቲ ቁስሊ ይርኣዮ፡ ነቲ ቑሱል ሾብዓተ መዓልቲ ይዕጸዎ። 51በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ድማ ነቲ ቑስሊ ይርኣዮ። እቲ ቑስሊ ኣብ ክዳን ወይ ኣብ ቅጥኒ ወይ ኣብ ፋእሚ ወይ ኣብ ቈርበት፡ ንዝዀነ ዕዮ ኻብ ቈርበት ኣብ እተገብረ ነገር እንተ ለሓመ፡ እዚ ቑስልዚ በላዒ ለምጺ እዩ፡ ንሱ ርኹስ እዩ። 52ነቲ ኽዳን ድማ፡ ወይ ቅጥኒ ወይ ፋእሚ ናይ ጸጒሪ እንተ ዀነ ወይ ናይ እንጣጢዕ፡ ወይ ዝዀነ ኣቕሓ ቘርበት እቲ ቑስሊ ዘለዎ ዘበለ፡ ይንደድ። በላዒ ለምጺ እዩ እሞ፡ ብሓዊ ይንደድ። 53እቲ ኻህን ድማ እንተ ረኣዮ፡ እንሆ ኸኣ፡ እቲ ቑስሊ ኣብ ክዳን ወይ ኣብ ቅጥኒ ወይ ኣብ ፋእሚ ወይ ኣብ ዝዀነ ኣቕሓ ቘርበት እንተ ዘይለሓመ፡ 54ሽዑ ነቲ ቑስሊ ዘለዎ ኽሓጽብዎ እቲ ኻህን ይኣዝዝ፡ መሊሱ ድማ ሾብዓተ መዓልቲ ይዕጸዎ። 55እቲ ቑስሊ ምስ ተሓጽበ ድማ፡ እቲ ኻህን ይርኣዮ፡ እንሆ ኸኣ፡ እቲ ቑስሊ ሕብሩ እንተ ዘይለወጠ፡ እቲ ቑስሊ ድማ እንተ ዘይለሓመ፡ ንሱ ርኹስ እዩ፡ ብሓዊ ኣንድዶ። እቲ ብሉዕ፡ ብውሽጢ እንተ ዀነ ወይ ብወጻኢ፡ ንሱ ዘየዕምቑ በላዒ እዩ። 56እቲ ኻህን ድማ እንተ ረኣዮ፡ እንሆ ኸኣ፡ እቲ ቑስሊ ድሕሪ ምሕጻቡ እንተ ፋሕሸወ፡ ካብቲ ኽዳን ወይ ካብቲ ቘርበት ወይ ካብቲ ቕጥኒ ወይ ካብቲ ፋእሚ ይቕደዶ። 57ኣብቲ ኽዳን፡ ወይ ኣብቲ ቕጥኒ ወይ ኣብቲ ፋእሚ ወይ ኣብ ዝዀነ ኣቕሓ ቘርበት ገና እንተ ተራእየ፡ ዝወጸ ለምጺ እዩ፡ ነቲ ቑስሊ ዘለዎ ብሓዊ ኣንድዶ። 58እቲ እተሓጽቦ ኽዳን፡ ወይ ቅጥኒ ወይ ፋእሚ ወይ ዝዀነ ቘርበት፡ እቲ ቑስሊ እንተ ኸደሉ፡ ካልኣይ ሳዕ ይተሓጸብ፡ ይነጽህ ድማ። 59ብዛዕባ ቑስሊ ለምጺ ኣብ ክዳን ጸጒሪ ወይ ናይ እንጣጢዕ ወይ ኣብ ቅጥኒ ወይ ኣብ ፋእሚ ወይ ኣብ ዝዀነ ኣቕሓ ቘርበት፡ ንጹህ ምዃኑ ወይ ርኹስ ምዃኑ ምንጋር፡ ሕጉ እዚ እዩ።
ዘሌዋውያን ምዕራፍ 14
1እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፥ 2ነቲ ለምጻም ብመዓልቲ ምንጻሁ እቲ ሕጊ እዚ ይኹን፥ ናብ ካህን የምጽእዎ። 3እቲ ኻህን ከኣ ናብ ወጻኢ እቲ ሰፈር ይውጻእ። እቲ ኻህን ድማ ይርኣዮ፡ እንሆ ኸኣ፡ እቲ ቑስሊ ለምጺ ኣብቲ ለምጻም እንተ ሓወየ፡ 4ሽዑ እቲ ኻህን ስለ እቲ ዝነጽህ ክልተ ንጹሃት ኣዕዋፍ ብህይወተን፡ ዕጨይቲ ቄድሮስን ጽሩይ ቀይሕ ፈትልን ስምዕዛን ከኣ ክወስዱ ይኣዝዝ። 5እቲ ኻህን ድማ ካብተን ኣዕዋፍ ሓንቲኤን ኣብ ኣቕሓ መሬት ኣብ ልዕሊ ፈልፋሊ ማይ ገይሮም ክሓርዱ ይኣዝዝ። 6ነታ ህያው ዑፍን ነቲ ዕጨይቲ ቄድሮስን ነቲ ጽሩይ ቀይሕ ፈትልን ነቲ ስምዕዛን ይውሰድ እሞ ምስናይ እታ ህያው ዑፍ ኣብ ደም እታ ኣብ ልዕሊ እቲ ፈልፋሊ ማይ እተሓርደት ዑፍ ይጥለቆ። 7ኣብ ልዕሊ እቲ ኻብ ለምጺ ዝነጽህ ከኣ ሾብዓተ ሳዕ ይንጸገሉ እሞ ንጹህ ምዃኑ ይንገር፡ ነታ ህያው ዑፍ ንመሮር ትኺድ ይሕደጋ። 8እቲ ዝነጽህ ድማ ክዳውንቱ ይሕጸብ፡ ኲሉ ጸጒሩ ኸኣ ይላጺ፡ ብማይውን ይተሓጸብ፡ ይነጽህ ከኣ። ድሕርዚ ድማ ናብ ሰፈር ይእቶ፡ ግናኸ ኣብ ወጻኢ ድንኳኑ ሾብዓተ መዓልቲ ይቀመጥ። 9ክኸውን ድማ እዩ፡ ኣብ ሳብዐይቲ መዓልቲ ዂሉ ጸጒሩ ይላጺ፡ ርእሱን ጭሕሙን ቅርኒብ ዓይኑን ኲሉ ጸጒሩን ይላጺ። ክዳውንቱ ኸኣ ይሕጸብ፡ ስጋኡ ድማ ብማይ ይተሓጸብ፡ ይነጽህ ከኣ። 10ኣብ ሳምነይቲ መዓልቲ ድማ ጐደሎ ዘይብሎም ክልተ ገንሸልን ጐደሎ ዘይብላ ዓመት ዝገበረት ሓንቲ ሽበንን፡ ንመስዋእቲ ብልዒ ኸኣ ሰለስተ ዓስራይ ኣፍ ኤፋ ድኹም ሓርጭ ብዘይቲ እተቘምጥዐ፡ ሓደ ሉግ ዘይቲ ኸኣ ይወስድ። 11እቲ ዘንጽህ ካህን ድማ ነቲ ዝነጽህ ሰብን ነዚ ነገርዝን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብ የቑሞ። 12እቲ ኻህን ድማ ነቲ ሓደ ገንሸል ምስቲ ሉግ ዘይቲ ወሲዱ ንመስዋእቲ በደል ይቕርቦ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ድማ ንዝውዝወዝ መስዋእቲ ይወዝውዞ። 13እቲ መስዋእቲ ሓጢኣት ነቲ ኻህን ከም ዝዀነ፡ እቲ መስዋእቲ በደል ከኣ ከምኡ እዩ እሞ፡ እቲ ገንሸል ኣብቲ መስዋእቲ ሓጢኣትን ዝሓርር መስዋእትን ዝሕረዱሉ ቦታ፡ ኣብ ቅዱስ ቦታ ይተሓረድ፡ ንሱ ቅዱስ ቅዱሳን እዩ። 14እቲ ኻህን ድማ ካብቲ ደም መስዋእቲ በደል ይውሰድ፡ እቲ ኻህን ከኣ ነቲ ዝነጽህ ኣብ የማነይቲ መስቈር እዝኑን ኣብ ዓበይቶ የማነይቲ ኢዱን ኣብ ዓበይቶ የማነይቲ እግሩን ይልከዮ። 15እቲ ኻህን ድማ ካብቲ ሉግ ዘይቲ ወሲዱ ኣብ ግናዕ ጸጋመይቲ ኢዱ ይኽዓዎ። 16እቲ ኻህን ከኣ የማነይቲ ኣጻብዑ ኣብቲ ኣብ ጸጋመይቲ ኢዱ ዘሎ ዘይቲ ይጥማዕ እሞ ካብቲ ዘይቲ በጻብዑ ሾብዓተ ሳዕ ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይንጸግ። 17ኣብ ልዕሊ እቲ ደም መስዋእቲ በደል ድማ እቲ ኻህን ካብቲ ኣብ ኢዱ ዝተረፈ ዘይቲ ነቲ ዝነጽህ ኣብ የማነይቲ መስቈር እዝኑን ኣብ ዓበይቶ የማነይቲ ኢዱን ኣብ ዓበይቶ የማነይቲ እግሩን ይልከዮ። 18ነቲ ኣብ ኢድ እቲ ኻህን ዝተረፈ ዘይቲ ኸኣ ናብ ርእሲ እቲ ዝነጽህ ይግበሮ፡ እቲ ኻህን ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የተዓርቆ። 19እቲ ኻህን ከኣ መስዋእቲ ሓጢኣት ይሰውእ እሞ ነቲ ኻብ ርኽሰቱ ዝነጽህ የተዓርቆ፡ ድሕሪኡ ድማ ዝሓርር መስዋእቲ ይሕረድ። 20እቲ ኻህን ድማ ዝሓርር መስዋእትን መስዋእቲ ብልዕን ኣብ ልዕሊ መሰውኢ የቕርብ፡ እቲ ኻህን ከኣ የተዓርቆ፡ ንሱውን ይነጽህ። 21ንሱ ድኻ እንተ ዀነ፡ ንኽንድዚ ዝኣክል ኣብ ኢዱ እንተ ዘይብሉ ድማ፡ ንመስዋእቲ በደል ንመተዓረቒኡ ኽውዝውዞ ሓደ ገንሸል ይውሰድ፡ ንመስዋእቲ ብልዒ ኸኣ ዓስራይ ኣፍ ኤፋ ብዘይቲ እተቘምጥዐ ድኹም ሓርጭ፡ ሓደ ሉግ ዘይቲ ድማ፡ 22ክልተ ባሬቶ ወይ ክልተ ጫጩት ርግቢ ኸምቲ ኣብ ኢዱ ዝረኽቦ፡ እታ ሓንቲ ንመስዋእቲ ሓጢኣት፡ እታ ኻልኣይቲ ኸኣ ንዝሓርር መስዋእቲ ይውሰድ። 23ኣብ ሳምነይቲ መዓልቲ ንምንጻሁ እዚ ነገርዚ ናብ ካህን፡ ናብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብ ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የምጽኣዮ። 24እቲ ኻህን ድማ ነቲ ገንሸል መስዋእቲ በደልን ነቲ ሉግ ዘይትን ይውሰድ እሞ እቲ ኻህን ንዝውዝወዝ መስዋእቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይወዝውዞ። 25ነቲ ገንሸል መስዋእቲ በደል ከኣ ይሕረዶ። እቲ ኻህን ድማ ካብ ደም እቲ መስዋእቲ በደል ወሲዱ፡ ነቲ ዝነጽህ የማነይቲ መስቈር እዝኑን ዓበይቶ የማነይቲ ኢዱን ዓበይቶ የማነይቲ እግሩን ይልከዮ። 26እቲ ኻህን ድማ ካብቲ ዘይቲ ኣብ ግናዕ ጸጋመይቲ ኢዱ ይዂዖ፡ 27እቲ ኻህን ከኣ ካብቲ ኣብ ጸጋመይቲ ኢዱ ዘሎ ዘይቲ ብየማነይቲ ኣጻብዑ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሾብዓተ ሳዕ ይንጸግ። 28ኣብ ልዕሊ እቲ ደም መስዋእቲ በደል ዘለዎ ቦታ ድማ እቲ ኻህን ነቲ ዝነጽህ ካብቲ ኣብ ኢዱ ዘሎ ዘይቲ ኣብ የማነይቲ መስቈር እዝኑን ኣብ ዓበይቶ የማነይቲ ኢዱን ኣብ ዓበይቶ የማነይቲ እግሩን ይልከዮ። 29ነቲ ኻብቲ ዘይቲ ዝተረፈ፡ ኣብ ኢድ እቲ ኻህን ዘሎ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከተዓርቖ፡ ኣብ ርእሲ እቲ ዝነጽህ ይግበሮ። 30ከምቲ ኣብ ኢዱ ዝረኸቦ፡ ሓንቲ ኻብተን ባሬቶ ወይ ሓንቲ ኻብተን ጫጩት ርግቢ ይሰውእ። 31ምስቲ መስዋእቲ ብልዒ፡ ከምቲ ኣብ ኢዱ ዝረኸቦ፡ ሓንቲ ንመስዋእቲ ሓጢኣት፡ ሓንቲ ኸኣ ንዝሓርር መስዋእቲ ይሰውእ። እቲ ኻህን ከኣ ነቲ ዝነጽህ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የተዓርቆ። 32ብዛዕባ እቲ ቑስሊ ለምጺ ዘለዎ ንምንጻህ ዘድሊ ኣብ ኢዱ ዝኣክል ዘይረኽበ፡ ሕጉ እዚ እዩ። 33እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ክምዚ ኢሉ ተዛረቦም፡ 34ናብቲ ኣነ ንርስቲ ዝህበኩም ምድሪ ኸነኣን ምስ ኣቶኹም እሞ ኣብታ እተረስቴኹምዋ ሃገር ናብ ሓንቲ ቤት ቁስሊ ለምጺ እንተ ሰደድኩ፡ 35ሽዑ እቲ በዓል ቤት ናብቲ ኻህን መጺኡ፡ ኣብ ቤተይ ከም ቁስሊ ለምጺ ዝበለ ተራእዩኒ፡ ኢሉ ይንገሮ። 36እቲ ኻህን ድማ ነቲ ቑስሊ ኽርኢ፡ ገና ናብታ ቤት ከይኣተወ፡ ኣብ ቤት ዘሎ ዂሉ ኸይረክስ፡ እቲ ኻህን ነታ ቤት ጥራያ ክገብርዋ ይኣዝዝ። ድሕሪዚ እቲ ካህን ነታ ቤት ክርኢ ይእቶ። 37ነቲ ቑስሊ ድማ ይርኣዮ። እንሆ ከኣ እቲ ቑስሊ ኣብ መንደቕ እታ ቤት ሕምልይ ዝበለ ወይ ቅይሕ ዝበለ ጐደጒድ ካብቲ መንደቕ ዓሚቑ እንተ ተራእየ፡ 38ሽዑ እቲ ኻህን ካብታ ቤት ናብ ኣፍ ደገ እታ ቤት ይውጻእ፡ ነታ ቤት ከኣ ሾብዓተ መዓልቲ ይዕጸዋ። 39እቲ ኻህን ድማ በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ተመሊሱ ይርኣያ፡ እንሆ ኸኣ፡ እቲ ቑስሊ ኣብ መንደቕ እታ ቤት እንተ ለሓመ፡ 40ሽዑ ነቲ ቑስሊ ዘለዎ ኣእማን ኣውጺኦም ናብ ወጻኢ ኸተማ፡ ናብ ርኹስ ቦታ ኽድርብይዎ፡ እቲ ኻህን ይኣዝዝ። 41እታ ቤት ድማ ብውሽጣ ዙርያኣ ትተሓኸኽ፡ እቲ ሕካኽ መሬት ከኣ ናብ ወጻኢ ኸተማ፡ ናብ ርኹስ ቦታ ይጐሓፍ። 42ኣብ ክንዲ እቲ ኣእማን ድማ ካልእ ኣእማን ወሲዶም የእትዉ። ካልእ መሬት ወሲዱ ኸኣ ነታ ቤት ይለቕልቃ። 43ነቲ ኣእማን ምስ ኣውጽአ፡ እታ ቤት ድማ ምስ ተሓከትን ምስ ተለቕለቐትን፡ እቲ ቑስሊ ኣብታ ቤት መሊሱ እንተ ወጸ። 44እቲ ኻህን ኣትዩ ይርኣያ። እንሆ ኸኣ፡ እቲ ቑስሊ ኣብታ ቤት እንተ ለሓመ፡ ንሱ ኣብታ ቤት ዝባላዕ ለምጺ እዩ እሞ፡ ንሳ ርኽስቲ እያ። 45ነታ ቤት ድማ እምናን ዕጨይታን፡ ኲሉ መሬት እታ ቤትውን ኣፍሪሱ፡ ናብ ወጻኢ ኸተማ ናብ ርኹስ ቦታ ይጒሓፎ። 46ነታ ቤት በተን እትዕጸወለን ኲለን መዓልትታት ዝኣተዋ ድማ ክሳዕ ምሸት ርኹስ ይኹን። 47ኣብታ ቤት ዝደቀሰ ኸኣ ክዳውንቱ ይሕጸብ፡ ኣብታ ቤት ዝበልዐውን ክዳውንቱ ይሕጸብ። 48እቲ ኻህን ነታ ቤት ክርኢ እንተ ኣተወ፡ እንሆ ኸኣ፡ እታ ቤት ምስ ተለቕለቐት፡ እቲ ቑስሊ ኣብታ ቤት እንተ ዘይለሓመ፡ እቲ ቑስሊ ሓውዩ እዩ እሞ፡ እታ ቤት ንጽህቲ ምዃና እቲ ኻህን ይንገር። 49ንምንጻህ እታ ቤት ድማ ክልተ ዑፍን ዕጨይቲ ቄድሮስን ጽሩይ ቀይሕ ፈትልን ስምዕዛን ይውሰድ፡ 50ነታ ሓንቲ ዑፍ ድማ ኣብ ልዕሊ ፈልፋሊ ማይ፡ ኣብ ኣቕሓ መሬት ይሕረዳ። 51ነቲ ዕንጨይቲ ቄድሮስን ስምዕዛን ጽሩይ ቀይሕ ፈትልን ነታ ህያው ዑፍን ወሲዱ፡ ኣብ ደም እታ እተሓርደት ዑፍን ኣብቲ ፈልፋሊ ማይን ጠሚዑ ነታ ቤት ሾብዓተ ሳዕ ይንጸገላ። 52ነታ ቤትውን ብደም እታ ዑፍን በቲ ፈልፋሊ ማይን በታ ህያው ዑፍን ብዕጨይቲ ቄድሮስን ብስምዕዛን ብጽሩይ ቀይሕ ፈትልን የንጽሃያ። 53ነታ ህያው ዑፍ ድማ ናብ ወጻኢ ኸተማ ንመሮር ትኺድ ይሕደጋ። ነታ ቤት ከኣ የተዓርቃ እሞ ትነጽህ። 54ንዂሉ ዓይነት ቁስሊ ለምጽን ንዕንፍሩርን፡ 55ንለምጺ ኣብ ክዳንን ኣብ ቤትን፡ 56ንሕበጥን ንጸፋዕታን ንብሩህ ብሮትን፡ እቲ ሕጊ እዚ እዩ። 57ዝረኽሰላ መዓልትን ዝነጽሃላ መዓልትን ከፍልጥ፡ ሕጊ ለምጺ እዚ እዩ።
ዘሌዋውያን ምዕራፍ 15
1እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም፡ 2ንደቂ እስራኤል ተዛረብዎም በልዎም ከኣ፡ ሓደ ሰብ ካብ ስጋኡ ጅግል ምስ ዝከዓዎ፡ በቲ ምኽዓዉ ርኹስ እዩ። 3እቲ ጅግሉ ክሳብ ዘሎ፡ ርኽሰቱ እዚ እዩ። ስጋኡ ጅግል እንተ ኸዓወ፡ ነቲ ጅግል እንተ ኸልከሎ፡ ንሱ ርኽሰቱ እዩ። 4እቲ በዓል ጅግል ዝደቀሶ ዂሉ መደቀሲ ይረክስ፡ ኮፍ ዝበሎ ዂሉ ኣቕሓ ድማ ይረክስ። 5ንመደቀሲኡ ዝተንከዮ ዘበለ ኸኣ ክዳውንቱ ይሕጸብ፡ ብማይ ድማ ይተሓጸብ፡ ክሳዕ ምሸትውን ርኹስ ይኹን። 6በዓል ጅግል ኮፍ ኣብ ዝበሎ ኣቕሓ ኾፍ ዝብልውን፡ ክዳውንቱ ይሕጸብ፡ ብማይ ከኣ ይተሓጸብ፡ ክሳዕ ምሸትውን ርኹስ ይኹን። 7ንስጋ እቲ ጀጋል ዝተንከየ ድማ ክዳውንቱ ይሕጸብ፡ ብማይ ከኣ ይተሓጸብ፡ ክሳዕ ምሸትውን ርኹስ ይኹን። 8እቲ ጀጋል ንሓደ ንጹህ ጡፍ እንተ በለሉ ኸኣ፡ ንሱ ኽዳውንቱ ይሕጸብ ብማይ ድማ ይተሓጸብ፡ ክሳዕ ምሸትውን ርኹስ ይኹን። 9እቲ ጀጋል እተወጥሓሉ ዘበለ ዀረሻ ኸኣ ርኹስ ይኹን። 10ኣብ ትሕቲኡ ዝነበረ ዂሉ ነገር ዝተንከየ ዘበለውን ክሳዕ ምሸት ርኹስ ይኹን፡ ነዚ ዘልዓለ ኸኣ ክዳውንቱ ይሕጸብ፡ ብማይ ድማ ይተሓጸብ፡ ክሳዕ ምሸትውን ርኹስ ይኹን። 11እቲ ጀጋል ኢዱ ኸይተሓጽበ ዝተንከዮ ዂሉ፡ ክዳውንቱ ይሕጸብ፡ ብማይ ከኣ ይተሓጸብ፡ ክሳዕ ምሸትውን ርኹስ ይኹን። 12እቲ ጀጋል ዝተንከዮ ኣቕሓ መሬት ይሰበር፡ ኲሉ ኣቕሓ ዕጨይቲ ኸኣ ብማይ ይተሓጸብ። 13እቲ ጀጋል ካብ ጅግሉ ምስ ነጽሄ ድማ፡ ንምንጻሁ ሾብዓተ መዓልቲ ይቑጸር፡ ክዳውንቱ ድማ ይሕጸብ፡ ስጋኡ ኸኣ ብፈልፋሊ ማይ ይተሓጸብ፡ ሽዑ ይነጽህ። 14ኣብ ሳምነይቲ መዓልቲ ድማ ክልተ ባሬቶ ወይ ክልተ ጫጩት ርግቢ ይውሰድ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ናብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ይምጻእ፡ ነቲ ኻህን ከኣ ይሃቦ። 15እቲ ኻህን ድማ፡ እታ ሓንቲ ንመስዋእቲ ሓጢኣት፡ እታ ሓንቲ ድማ ንዝሓርር መስዋእቲ ይሰውኣየን። ካብ ጅግሉ ኸኣ እቲ ኻህን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የተዓርቆ። 16ሰብኣይ ካብ ዘርኡ እንተ ወጾ ድማ ብዘሎ ስጋኡ ብማይ ይተሓጸብ፡ ክሳዕ ምሸትውን ርኹስ ይኹን። 17እቲ ዘርኢ እተኻዕዎ ኽዳውንትን ማእስን ኲሉ ብማይ ይተሓጸብ፡ ክሳዕ ምሸት ከኣ ርኹስ ይኹን። 18ሰበይቲ ድማ ሰብኣይ ብምኽዓው ዘርኢ እንተ ደቀሳ፡ ክልቲኦም ብማይ ይተሓጸቡ፡ ክሳዕ ምሸት ከኣ ርኹሳት ይኹኑ። 19ሰበይቲ ድማ፡ ጻግነ ብምዃና ደም ካብ ስጋኣ እንተ ተኻዕዋ፡ ጾብዓተ መዓልቲ ትርከስ፡ ዝተንከያ ዘበለ ኸኣ ክሳዕ ምሸት ርኹስ ይኹን። 20ብጻግኒኣ ዝደቀሰቶ ዂሉ ነገር ርኹስ ይኹን፡ ኮፍ ዝበለቶ ኸኣ ርኹስ ይኹን። 21መደቀሲኣ ዝተንከየ ዘበለ ድማ ክዳውንቱ ይሕጸብ፡ ብማይ ከኣ ይተሓጸብ፡ ክሳዕ ምሸትውን ርኹስ ይኹን። 22ንሳ ኾፍ ዝበለቶ ዂሉ ነገር ዝተንከየ ዘበለ ድማ ክዳውንቱ ይሕጸብ፡ ብማይ ከኣ ይተሓጸብ፡ ክሳዕ ምሸትውን ርኹስ ይኹን። 23ነቲ መደቀሲኣ ወይ ኮፍ ኢላቶ ንዝነበረት ኣቕሓ ምስ ዝትንኪ፡ ክሳዕ ምሸት ርኹስ ይኹን። 24ሰብኣይ ምስኣ ደቂሱ ጻግኒኣ እንተ ጸየቖ፡ ሾብዓተ መዓልቲ ርኹስ ይኹን፡ ንሱ ዝድቅሶ ዂሉ መደቀሲ ኽኣ ርኹስ ይኹን። 25ሰበይቲ፡ በቲ ግዜ ጻግኒኣ ዘይኰነ፡ ነዊሕ መዓልቲ ደም ዛሕዛሕ እንተ በላ፡ ወይ ሓለፋ እቲ ግዜ ጻግኒኣ ዛሕዛሕ እንተ በላ፡ ምኽዓው ርኽሰታ ኽሳዕ ዘሎ መዓልትታት፡ ከምቲ ብመዓልትታት ጻግኒኣ ትኹን፡ ርኽስቲ እያ። 26እቲ ምኽዓዋ ኽሳዕ ዘሎ ዂሉ መዓልትታት እትድቅሶ ዂሉ መደቀሲ ኸኣ ከምቲ ብእዋን ጻግኒኣ እትድቅሶ መደቀሲ ይኹን፡ ኮፍ እትብሎ ዂሉ ኣቕሓውን ከምቲ ርኽሰት ጻግኒኣ ርኹስ ይኹን። 27ነዚ ዝተንከዮ ዘበለ ኸኣ ርኹስ ይኹን፡ ክዳውንቱ ድማ ይሕጸብ፡ ብማይ ከኣ ይተሓጸብ፡ ክሳዕ ምሸትውን ርኹስ ይኹን። 28ካብ ምኽዓዋ እንተ ጸረየት ድማ፡ ሾብዓተ መዓልቲ ትቑጸር፡ ድሕርቲ ንጽህቲ ትኹን። 29ኣብ ሳምነይቲ መዓልቲ ኸኣ ክልተ ባሬቶ ወይ ክልተ ጫጩት ርግቢ ትውሰድ፡ ኣብ ካህን ናብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብ ድማ ተምጽኣየን። 30እቲ ኻህን ድማ እታ ሓንቲ ንመስዋእቲ ሓጢኣት እታ ሓንቲ ኸኣ ንዝሓርር መስዋእቲ ይግበረን። እቲ ኻህንውን ካብ ምኽዓው ርኽሰታ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የተዓርቃ። 31ነታ ኣብ ማእከሎም ዘላ ማሕደረይ ምስ ኣርከሱ፡ ብርኽስቶም ከይሞቱስ፡ ከምዚ ንደቂ እስራኤል ካብ ርኽሰቶም ፍለይዎም። 32-33ናይ ጅግልን ናይቲ ዘርኡ ዝከዓዎን፡ ብእኡ ድማ ዝረኸሰ፡ ብዛዕባ እታ ብጻግኒኣ ዝሓመመትን ብዛዕባ ዘርኡ ዝከዓዎ ሰብኣይን ሰበይትን፡ ብዛዕባ ምስ ዝረኸሰት ሰበይቲ ዝድቅስ ሰብኣይ ድማ ሕጉ እዚ እዩ።
ዘሌዋውያን ምዕራፍ 16
1ድሕሪ ሞት ክልቲኦም ደቂ ኣሮን፡ እቶም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ምስ ቀረቡ ዝሞቱ፡ እግዚኣብሄር ንሙሴ ተዛረቦ። 2እግዚኣብሄር ከኣ ንሙሴ በሎ፡ ኣነ ብደበና ኣብ ልዕሊ መኽደን መተዓረቒ ኽርአ እየ እሞ፡ ንሓውካ ኣሮን ከይመውትሲ፡ ናብ ቤት መቕደስ ኣብ ውሽጢ መጋረጃ ናብ ቅድሚ እቲ ኣብ ልዕሊ ታቦት ዘሎ መኽደን መተዓረቒ ዂሉ ግዜ ኸይኣቱ፡ ንገሮ። 3ንመስዋእቲ ሓጢኣት ሓደ ዝራብዕ፡ ንዝሓርር መስዋእቲ ኸኣ ሓደ ድዑል ሒዙ፡ ኣሮን በዚ ናብ ቤተ መቕደስ ይእቶ። 4እቲ ናይ ልዕጺ እንጣጢዕ ቅዱስ ቀምሽ ታሕቲ ይከደን፡ ናይ ልሕጺ እንጣጢዕ ስረ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ስጋኡ ይግበር፡ ናይ ልሕጺ እንጣጢዕ ቅናት ድማ ይተዓጠቕ፡ ናይ ልሕጺ እንጣጢዕ መጠምጠምያውን ኣብ ርእሱ ይጠምጠም። እዚ ቅዱስ ኣልባስ እዩ፡ ስጋኡ ብማይ ተሓጺቡ ይከደኖ። 5ካብ ኣኼባ ደቂ እስራኤል ድማ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ክልተ ድቤላ፡ ንዝሓርር መስዋእቲውን ሓደ ድዑል ይውሰድ። 6ኣሮን ከኣ ነቲ ዝራብዕ መስዋእቲ ሓጢኣቱ የቕርቦ፡ ንርእሱን ንቤቱን ከኣ የተዓርቕ። 7ንኽልቲኦም ድቤላ ወሲዱ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብ ደው የብሎም። 8ኣሮን ድማ ነቶም ክልተ ድቤላ፡ ሓደ ዕጫ ንእግዚኣብሄር፡ ሓደ ዕጫ ከኣ ንዓዛዚል ክኸውን፡ ዕጭ የውድቐሎም። 9ኣሮን ድማ ነቲ ብዕጫ ንእግዚኣብሄር ዝበጽሖ ድቤላ የቕርቦ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ይሰውኣዮ። 10እቲ ብዕጫ ንዓዛዜል ዝበጽሐ ድቤላ ግና ንዓዛዜል ናብ በረኻ ኽስደድ፡ ንምትዕራቑ ብህይወቱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደው ይበል። 11ኣሮን ከኣ ነቲ ንርእሱ ዝኸውን ዝራብዕ መስዋእቲ ሓጢኣት የቕርቦ፡ ንርእሱን ንቤቱን ድማ የተዓርቕ፡ ነቲ ንርእሱ ዝኸውን ዝራብዕ መስዋእቲ ሓጢኣት ከኣ ይሕረዶ። 12ካብቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዘሎ መሰውኢ ጽንሃህ ምሉእ ጓህሪ ይውሰድ፡ ካብቲ እተጐድአ ምኡዝ ዕጣን ከኣ ምሉእ ሕፍኑ ወሲዱ ናብ ውሽጢ መጋረጃ የእትዎ። 13ከይመውትሲ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ምስክር ዘሎ መኽደን መተዓረቒ፡ ደበና ዕጣን ምእንቲ ክኽውሎ ከኣ፡ ነቲ ዕጣን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ናብቲ ሓዊ ይግበሮ። 14ካብ ደም እቲ ዝራብዕ ወሲዱ ድማ፡ ናብ መኽደን መተዓረቒ ብሸነኽ ምብራቑ በጻብዑ ይንጸግ፡ ኣብ ቅድሚ መኽደን መተዓረቒውን ካብቲ ደም ሾብዓተ ሳዕ በጻብዑ ይንጸግ። 15ነቲ ድቤላ መስዋእቲ ሓጢኣት ህዝቢ ድማ ይሕረዶ፡ ነቲ ደሙ ኸኣ ናብ ውሽጢ መጋረጃ የእትዎ፡ በቲ ደሙውን ከምቲ ብደም እቲ ዝራብዕ ዝገበሮ ይግበር፡ ኣብ ልዕሊ መኽደን መተዓረቕን ኣብ ቅድሚ መኽደን መተዓረቕን ይንጸጎ። 16ካብ ርኽሰት ደቂ እስራኤል ካብ በደሎምን ብዝዀነ ሓጢኣቶም ንመቕደስ የተዓርቆ። ነቲ ምሳታቶም ኣብ ማእከል ርኽሰቶም ዘሎ ድንኳን ምርኻብ ድማ ከምኡ ይግበረሉ። 17ንሱ ኸተዕርቕ ናብ መቕደስ ምስ ዝኣቱ፡ ክሳዕ ዝወጽእ፡ ንርእሱን ንቤቱን ንብዘላ ማሕበር ደቂ እስራኤልን ክሳዕ ዘተዓርቕ፡ ገለ ሰብ ኣብ ድንኳን ምርኻብ ኣይኹን። 18ናብቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዘሎ መሰውኢ ወጺኡ ኸኣ፡ ንእኡ የተዓርቆ። ካብ ደም እቲ ዝራብዕን ካብ ደም እቲ ድቤላን ወሲዱ ድማ፡ ኣብ ልዕሊ ኣቕርንቲ መሰውኢ ብዙርያኡ ይግበሮ። 19ካብቲ ደም ከኣ በጻብዑ ሾብዓተ ሳዕ ኣብ ልዕሊኡ ይንጸግ፡ ካብ ርኽሰት ደቂ እስራኤል ድማ የንጽሃዮን ይቐድሶን። 20ንመቕደስን ንድንኳን ምርኻብን ንመሰውእን ዓሪቑ ምስ ወድአ ኸኣ፡ ነቲ ህያው ድቤላ የቕርቦ። 21ኣሮን ድማ ክልቲኡ ኢዱ ኣብ ርእሲ እቲ ህያው ድቤላ የንብር እሞ፡ ብኲሉ ኽፍኣት ደቂ እስራኤልን ብዂሉ በደሎምን ብዂሉ ሓጢኣቶምን ኣብ ልዕሊኡ ይናዘዝ፡ ኣብ ርእሲ እቲ ድቤላ ኸኣ የንብሮ፡ ብኢድ እቲ ነዚ እተዳለወ ሰብኣይ ድማ ንበረኻ ይስደዶ። 22እቲ ድቤላ ኸኣ ንዂሉ ኽፍኣቶም ኣብ ልዕሊኡ ናብ ጽምዊ ምድሪ ይጹሮ፡ ነቲ ድቤላ ድማ ንበረኻ ይፈንዎ። 23ኣሮን ድማ ናብ ድንኳን ምርኻብ ይእቶ፡ ነቲ ናብ መቕደስ ክኣቱ ኸሎ ለቢስዎ ዝነበረ ናይ ልሕጺ እንጣጢዕ ኣልባሳትውን የውጽኣዮ፡ ኣብኡ ኸኣ ይሕደጎ። 24ድማ ኣብ ቅዱስ ቦታ ዀይኑ፡ ስጋኡ ብማይ ይተሓጸብ፡ ክዳውንቱ ኸኣ ይከደን። ወጺኡ ድማ ነቲ ዝሓርር መስዋእቱን ነዚ ዝሓርር መስዋእቲ ህዝብን ይሰውእ፡ ንርእሱን ንህዝብን ከኣ የተዓርቕ። 25ስብሒ መስዋእቲ ሓጢኣት ድማ ኣብ መሰውኢ የሕርር። 26እቲ ነቲ ድቤላ ንዓዛዜል ዝፈነወ ኸኣ ክዳውንቱ ይሕጸብ ስጋኡውን ብማይ ይተሓጸብ፡ ድሕርዚ ድማ ናብ ሰፈር ይእቶ። 27ነቲ ዝራብዕ መስዋእቲ ሓጢኣትን ነቲ ድቤላ መስዋእቲ ሓጢኣትን፡ ደሞም ንምትዕራቕ ናብ መቕደስ ዝኣተወ፡ ናብ ወጻኢ ሰፈር የውጽእዎም፡ ቈርበቶምን ስጋኦምን ፈርሶምን ከኣ ብሓዊ የንድድዎ። 28እቲ ዘንደዶም ድማ ክዳውንቱ ይሕጸብ ስጋኡውን ብማይ ይተሓጸብ፡ ድሕርዚ ናብ ሰፈር ይእቶ። 29እዚ ሕጊ ዘለኣለም ይኹንኩም፥ ኣብ ሳብዐይቲ ወርሒ፡ ኣብታ ወርሒ ኸኣ ብዓስረይቲ መዓልቲ፡ ወዲ ዓዲ ዀነ ወይ ኣብ ማእከልኩም ዝቕመጥ ስደተኛ፡ ነፍስኹም ኣዋርዱ፡ ገለ እኳ ዕዮ ኣይትዕየዩ። 30በታ መዓልቲ እቲኣ ምእንቲ ኽትነጽሁስ ክትተዓረቑ ኢኹም እሞ፡ ካብ ኲሉ ሓጢኣትኩም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክትነጽሁ ኢኹም። 31ንኣኻትኩም ዓባይ ሰንበት ዕረፍቲ እያ፡ ነፍስኹም ከኣ ኣዋርዱ፡ ሕጊ ዘለኣለም እዩ። 32እቲ ኣብ ክንዲ ኣቦኡ ኻህን ክኸውን እተቐብአን እተቐደሰን ካህን የተዓርቕ፡ እቲ ናይ ልሕጺ እንጣጢዕ ኣልባስ ድማ፡ እቲ ቅዱስ ኣልባስ፡ ይልበስ። 33ነቲ ቅዱስተ ቅዱሳን ከኣ የተዓርቕ፡ ንድንኳን ምርኻብን ንመሰውእን ድማ የተዓርቕ፡ ንኻህናትን ንዂሉ ህዝቢ ማሕበርን ከኣ የተዓርቕ። 34ንደቂ እስራኤል ሓንሳእ ኣብ ዓመት ካብ ኲሉ ሓጢኣቶም ንምትዕራቕ፡ እዚ ሕጊ ዘለኣለም ይኹነልኩም። ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ኸኣ ገበረ።
ዘሌዋውያን ምዕራፍ 17
1እግዝኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፥ 2ንኣሮንን ንደቁን ንዂሎም ደቂ እስራኤልን፡ እቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞን ዝበሎን ነገር እዚ እዩ፡ ኢልካ ተዛረቦም፡ 3ዝዀነ ሰብ ካብ ቤት እስራኤል ብዕራይ ወይ ገንሸል ወይ ጤል ኣብ ሰፈር እንተ ሓረደ፡ ወይ ኣብ ወጻኢ ሰፈር እንተሓረደ፡ 4ኣብ ቅድሚ ማሕደር እግዚኣብሄር፡ ንእግዝኣብሄር መስዋእቲ ከቕርቦ፡ ናብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብ እንተ ዘየምጽኦ፡ ነቲ ሰብ እቲ ኸም ዕዳ ደም ይቑጸረሉ። ደም ኲዕዩ እዩ፡ እቲ ሰብ እቲ ኻብ ማእከል ህዝቡ ኽምንቈስ እዩ። 5ስለዚ ደቂ እስራኤል ነቲ ኣብ መሮር ዝስውእዎ ዝሕረድ መስዋእቶም ናብ እግዚኣብሄር፡ ናብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብ፡ ናብ ካህን የምጽእዎ፡ ንእግዚኣብሄር ከኣ ንመስዋእቲ ምስጋና የቕርቡሉ። 6እቲ ኻህን ድማ ነቲ ደም ኣብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብ፡ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ እግዚኣብሄር ይንጸጎ። ነቲ ስብሒ ድማ ንእግዚኣብሄር ንጥዑም ጨና የሕርሮ። 7ደጊም እቲ ዝሕረድ መስዋእቶም ነቶም ብምንዝርና ዝስዕብዎም ኣጋንንቲ ኣይሰውኡ። እዚ ንውሉድ ወለዶኦም ሕጊ ዘለኣለም ይኹኖም። 8ድማ ዝዀነ ሰብ፡ ካብ ቤት እስራኤል ወይ ካብቶም ኣብ መንጎኦም ዝነብሩ ጓኖት፡ ዝሓርር መስዋእቲ ወይ ዝሕረድ መስዋእቲ እንተ ኣቕረበ፡ 9ንእግዚኣብሄር ክስውኦ ኸኣ ናብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብ እንተ ዘየምጽኦ፡ እቲ ሰብ እቲ ኻብ ህዝቡ ኽምንቈስ እዩ፡ በሎም። 10ድማ ዝዀነ ሰብ፡ ካብ ቤት እስራኤል ወይ ካብቶም ኣብ መንጎኦም ዝነብሩ ጓኖት፡ ደም ዘበለ እንተ በልዐ፡ ነታ ደም ዝበልዐት ነፍሲ ገጸይ ናብኣ ኽመልስ እየ፡ ካብ ማእከል ህዝባ ኸኣ ክምንቁሳ እየ። 11ነፍሲ ስጋ ኣብቲ ደም እዩ፡ ነታ ነፍሲ ዘተዓርቓ እቲ ደም እዩ እሞ፡ ኣነ ድማ ናብ ልዕሊ መሰውኢ ንነፍሳትኩም ከተዓርቕ ኢለ ሃብኩኹም። 12ስለዚ ንደቂ እስራኤል፡ ካባኻትኩም ሓንቲ ነፍሲ እኳ ደም ኣይትብላዕ፡ ኣብ መንጎኹም ዝነብር ጓናውን ደም ኣይብላዕ፡ በልኩ። 13ድማ ዝዀነ ሰብ ካብ ደቂ እስራኤል ወይ ኣብ መንጎኹም ካብ ዝነብሩ ጓኖት ዝብልዓ እንስሳ ወይ ዑፍ ሃዲኑ እንተ ሓዘ፡ ነቲ ደም ይኽዓዎ፡ ሓመድ ድማ ይኽደኖ። 14ነፍሲ ዂሉ ስጋስ፡ ንሱ እቲ ኣብ ነፍሱ ዘሎ ደሙ እዩ እሞ፡ ስለዚ ንደቂ እስራኤል ከኣ፡ ናይ ዝዀነ ስጋ ደም ኣይትብልዑ፡ በልክዎም። ናይ ኲሉ ስጋ ነፍሲ ደሙ እዩ እሞ፡ ዝበልዖ ዘበለ ኽምንቈስ እዩ። 15ዝዀነ ነፍሲ ሕሉቕ ወይ ኣራዊት ዝቐተሎ ዝበልዐ፡ ወዲ ዓዲ ዀነ ወይ ጓና፡ ክዳውንቱ ይሕጸብ፡ ብማይ ከኣ ይተሓጸብ፡ ክሳዕ ምሸትውን ርኹስ ይኹን፡ ሽዑ ይነጽህ። 16ክዳውንቱ እንተ ዘይሓጸበ፡ ስጋኡ ኸኣ እንተ ዘይተሓጽበ፡ ክፍኣቱ ኽጸውር እዩ።
ዘሌዋውያን ምዕራፍ 18
1እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ 2ንደቂ እስራኤል ተዛረቦም፡ በሎም ከኣ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ። 3ከም ግብሪ እታ ዝነበርኩምዋ ምድሪ ግብጺ ኣይትግበሩ። ከም ግብሪ እታ ኣነ ናብኣ ዘእትወኩም ሃገር ከነኣን ድማ ኣይትግበሩ፡ ብስርዓቶምውን ኣይትመላለሱ። 4ብእኡ ኽትመላለሱ ፍርድታተይ ግበሩ፡ ሕጋጋተይ ከኣ ሓልዉ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ። 5ሕጋጋተይን ፍርድታተይን ሓልዉ፡ እቲ ዝገብሮ ሰብ ብእኡ ህያው ይኸውን። ኣነ እግዚኣብሄር እየ። 6ሓደ ሰብ እኳ ቀረባ ዘመዱ ናብ ዘበለት ሕፍረታ ክቐልዕ ኢሉ ኣይቕረባ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ። 7ሕፍረት ኣቦኻን ሕፍረት ኣዴኻን ኣይትቕላዕ፡ ኣዴኻ እያ እሞ፡ ሕፍረታ ኣይትቕላዕ። 8ሕፍረት ሰበይቲ ኣቦኻ ኣይትቕላዕ፡ ሕፍረት ኣቦኻ እዩ። 9ሕፍረት ሓብትኻ ኣይትቕላዕ፡ ጓል ኣቦካ ወይ ጓል ኣዴኻ፡ ኣብ ቤት እተወልደት ወይ ኣብ ግዳም እተወልደት፡ ሕፍረት ኣይትቕላዕ። 10ሕፍረት ጓል ወድኻ ወይ ጓል ጓልካ፡ ሕፍረትካ እዩ እሞ፡ ሕፍረተን ኣይትቕላዕ። 11ሕፍረት ጓል ሰበይቲ ኣቦኻ፡ ካብ ኣቦኻ እተወልደት ሓብትኻ እያ እሞ፡ ሕፍረታ ኣይትቕላዕ። 12ሕፍረት ኣሞኻ ኣይትቕላዕ፡ ንሳ ቐረባ ዘመድ ኣቦኻ እያ፡ 13ቀረባ ዘመድ ኣዴኻ እያ እሞ፡ ሕፍረት ሓትኖኻ ኣይትቕላዕ፡ 14ሕፍረት ሓው ኣቦኻ ኣይትቕላዕ፡ ናብ ሰበይቱ ኣይትቕረብ፡ ሓብቲ ኣቦኻ እያ። 15ሕፍረት ሰበይቲ ወድኻ ኣይትቕላዕ፡ ሰበይቲ ወድኻ እያ፡ ሕፍረታ ኣይትቕላዕ። 16ሕፍረት ሰበይቲ ሓውካ ኣይትቕላዕ፡ ሕፍረት ሓውካ እዩ። 17ሕፍረት ሰበይትን ጓላን ኣይትቕላዕ፡ ጓል ወዳ ወይ ጓል ጓላ ድማ ሕፍረታ ንምቕላዕ ኣይትውሰድ፡ ንሳተን ቀረባ ዘመድ እየን እሞ፡ ገበን እዩ። 18ብህይወታ ኸላ ሕፍረታ ብምቕላዕ ከተቕንኣ ሰበይቲ ምስናይ ሓብታ ኣይተእቱ። 19ሰበይቲ ብጻግኒኣ ረኺሳ ኸላ፡ ሕፍረታ ኽትቀልዕ ኣይትቕረባ። 20ሰበይቲ ብጻይካ፡ ብእኣ ኸይትረክስ፡ ብስጋ ምስኣ ንምርኻብ ኣይትደቅስ። 21ካብ ዘርእኻ ንሞሎኽ ብሓዊ ንምሕላፍ ኣይትሃብ። ስም ኣምላኽካ ኣይተርክስ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ። 22ከም ምስ ሰበይቲ ምድቃስ ምስ ሰብኣይ ኣይትደቅስ፡ እዚ ጽያፍ እዩ። 23ብእኣ ኸይትረክስ፡ ምስ ገለ እንስሳ ብስጋ ኣይትራኸብ። ሰበይቲ ድማ ብስጋ ኽትራኸብ ኢላ ኣብ ቅድሚ እንስሳ ደው ኣይትበል፡ እዚ ጉድ ነገር እዩ። 24እቶም ኣነ ኻብ ቅድሜኹም ዝሰጎም ህዝብታት በዚ ዂሉ ረኺሶም እዮም እሞ፡ በዚ ዂሉ ኣይትርከሱ። 25እታ ምድሪ በዚ ረኸሰት፡ ኣነ ኸኣ ሓጢኣታ ኣብ ርእሳ ኽመልስ እየ፡ እታ ምድሪ ድማ ነቶም ዝነብርዋ ኽትተፍኦም እያ። 26ንስኻትኩም ግና ሕጋጋተይን ፍርድታተይን ሓልዉ፡ ወዲ ዓዲ ዀነ ወይ ኣብ መንጎኹም ዝነብር ጓና፡ ካብ ኲሉ እዚ ጽያፍ እዚ ገለ ኣይትግበሩ። 27እዚ ዂሉ ጽያፍ እቶም ቅድሜኹም ኣብኣ ዝነበሩ ሰብ እታ ሃገር ገይሮምዎ እዮም እሞ፡ እታ ምድሪ ረኸሰት። 28እታ ምድሪ ምስ ኣርከስኩምዋ፡ ነቶም ቅድሜኹም ዝነበርዋ ህዝቢ ኸም ዝተፍኣቶም፡ ንኣኻትኩም ድማ ከይትተፍኣኩም። 29ካብዚ ዂሉ ጽያፍ እዚ ዝገበረ ዘበለ፡ እተን ዝገበራ ነፍሳት ካብ መንጎ ህዝበን ክምንቈሳ እየን። 30እቲ ቕድሜኹም ዝገብርዎ ዝነበሩ ርኹስ ስርዓታት ከይትገብሩ፡ ብእኡ ኸኣ ከይትረኽሱ፡ እቲ ኽትሕልውዎ ኢለ ዝኣዘዝኩኹም ሓልዉ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።
ዘሌዋውያን ምዕራፍ 19
1እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ 2ንብዘሎ ኣኼባ ደቂ እስራኤል ተዛረብ በሎም ድማ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ቅዱስ እየ እሞ፡ ንስኻትኩም ከኣ ቅዱሳን ኩኑ። 3ነፍሲ ወከፍኩም ኣዲኡን ኣቦኡን ይፍራህ። ሰናብተይ ሓልዉ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ። 4ናብ ጣኦታት ኣይትመለሱ፡ ኣማልኽቲ ፍሲ ድማ ኣይትግበሩ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ። 5ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ምስጋና ምስእትስውኡ፡ ባህ ከም ዘብሎ ጌርኩም ሰውኡ። 6በታ እትስውኡላ መዓልትን ንጽባሒታን ይበላዕ። እቲ ኽሳዕ ሳልሰይቲ መዓልቲ ዝተረፈ ግና ብሓዊ ይንደድ። 7ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ እንተ ተበልዐ፡ ፍንፉን እዩ፡ ኣይቅቡልን እዩ። 8እቲ ዝበልዖ ድማ፡ እቲ ንእግዚኣብሄር እተቐደሰ ኣርኪሱ እዩ እሞ፡ ክፍኣቱ ይጸውር፡ እታ ነፍሲ እቲኣ ኸኣ ካብ ህዝባ ኽትምንቈስ እያ። 9ዓጺድ ምድርኹም ምስ እትዓጽዱ፡ ነቲ ደረት ግራትካ ፈጺምካ ኣይትዕጸዶ፡ ነቲ ቐሪም ዓጺድካውን ኣይትእረዮ። 10ንወይንኻ ድማ ኣይተዋሕዮ፡ ነቲ ኣብ ወይንኻ ዝወደቐ ፍረ ኸኣ ኣይትእረዮ፡ ንድኻን ንስደተኛን ደኣ ሕደጎ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ። 11ኣይትስረቑን ኣይትጠብሩን፡ ሓደ እኳ ንብጻዩ ኣይትሓስዉ። 12ንስም ኣምላኽካ ኽይተርክስ፡ ብስመይ ብሓሶት ኣይትምሓሉ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ። 13ንብጻይካ ኣይትጽቀጦን ኣይትዘርፎን፡ ወይ ውዕለት ወዓላይ ክሳዕ ብጊሓት ምሳኻ ኣይሕደር። 14ንጸማም ኣይትርገሞ፡ ኣብ ቅድሚ ዕዉር ድማ መዓንቀፊ ኣይተንብር፡ ንኣምላኽ ደኣ ፍራህ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ። 15ብፍርዲ ኣይትዓምጹ፥ ንድኻ ገጹ ርኢኻ ኣይተዳልዎ፡ ነቲ ስልጡን ድማ ገጹ ርኢኻ ኣይተኽብሮ፡ ንብጻይካ ግና ብቕንዕና ፍረድ። 16ክትሓሚ ኢልካ ኣብ ህዝብኻ ኣይትዙር፡ ናብ ደም ብጻይካ ኣይትለዓል። ኣነ እግዚኣብሄር እየ። 17ንሓውካ ብልብኻ ኣይትጽልኣዮ፡ ንብጻይካስ፡ ብዛዕባኡ ሓጢኣት ከይትጸውር፡ ኣጸቢቕካ ግንሓዮ። 18ንደቂ ህዝብኻ ሕነ ኣይትፍደን ኣይትቀየምን፡ ንብጻይካስ ከም ርእስኻ ደኣ ፍተዎ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ። 19ሕጋጋተይ ሓልዉ፡ ማልካ ምስ ካልእ ዓይነት ኣይተታሉ። ንግራትካ ኽልተ ዓይነት ዘርኢ ኣይትዝርኣያ፡ ካብ ክልተ ዓይነት እተሓወሰ ዓለባ ኣይትከደን። 20ሰብኣይ ምስ ሓንቲ ብዋጋ ሓራ ዘይወጸት፡ ሓራ ድማ ዘይተዋህባ፡ ባርያ ኽነሳ ንሓደ ሰብኣይ እተሓጽየት ሰበይቲ ደቂሱ እንተ ተራኸባ፡ ንሳ ሓራ ስለ ዘይወጸት ግና፡ ይቀጽዑ ደኣ እምበር፡ ኣይሙቱ፡ 21ንሱ ድማ ንመስዋእቲ በደሉ፡ ድዑል መስዋእቲ በደል ናብ እግዚኣብሄር ናብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብ የምጽእ። 22ስለ እቲ ዝገበሮ ሓጢኣቱ ኸኣ እቲ ኻህን በቲ ድዑል መስዋእቲ በደል ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የተዓርቆ፡ እቲ ዝገበሮ ሓጢኣቱ ድማ ይሕደገሉ። 23ናብታ ምድሪ ምስ ኣቶኹም፡ ኲሉ ዓይነት ዝብላዕ ኦም ምስ ተኸልኩም፡ ነቲ ፍሬኡ ኸም ዘይተገዝረ ርኣይዎ። ሰለስተ ዓመት ከም ዘይተገዝረ ይኹንኩም፡ ኣይበላዕ ድማ። 24ኣብታ ራብዐይቲ ዓመት ድማ ብዘሎ ፍሬኡ ንምስጋና እግዚኣብሄር ይቀደስ። 25ኣብዚሑ ኽፈርየልኩምሲ፡ ኣብ ሓምሰይቲ ዓመት ፍሬኡ ብልዑ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ። 26ምስናይ ደም ገለ እኳ ኣይትብልዑ። ኣይትጠንቁሉን ኣይተማርቱን። 27ወሰነ ወሰን ጸጒሪ ርእስኹም ኣይትቑረጹ፡ ወሰነ ወሰን ጭሕምኻውን ኣይትቑረጽ። 28ብዛዕባ ምዉት ኣብ ስጋኹም ቅርጺ ኣይትግበሩ፡ ጽሕፈት ማሕተም ድማ ኣባኻትኩም ኣይትግበሩ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ። 29እታ ሃገር ከይትምንዝር፡ እታ ሃገር ድማ ብርኽሰት ከይትመልእ፡ ንጓልካ ኣመንዝራ ጌርካ ኣይተርክሳ። 30ሰናብተይ ሓልዉ፡ መቕደሰይ ከኣ ፍርሁ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ። 31ናብ መንፈስ ጥንቈላ ዘለዎምን ናብ መውደቕቲ ዛዕጐልን ኣይትመለሱ፡ ብእኦም ከይትረኽሱ ኣይትድለይዎም። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ። 32ኣብ ቅድሚ ሸያብ ተንስእ፡ ንገጽ ኣረጋዊ ድማ ኣኽብር፡ ንኣምላኽካውን ፍርሃዮ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ። 33ጓና ምሳኻትኩም ኣብ ሃገርኩም እንተ ተቐመጠ ድማ፡ ኣይትግፍዕዎ። 34ንስኻትኩምውን ኣብ ምድሪ ግብጺ ጓኖት ኔርኩም ኢኹም እሞ፡ እቲ ምሳኻትኩም ዝነብር ጓና ኣባኻትኩም ከም ወዲ ዓዲ ይኹን፡ ከም ንነፍስኻ ኸኣ ፍተዎ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ። 35ብፍርዲ ዀነ፡ ብመለክዒ እመት ኰነ፡ ብሚዛን ኰነ፡ ብምሰ ዀነ፡ ኣይትዓምጹ። 36ቅኑዕ ሚዛን፡ ቅኑዕ መምዘኒ፡ ቅኑዕ ኤፋ፡ ቅኑዕ ሂን ድማ ይሃሉኹም። ካብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻእኩኹም ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ። 37እምብኣርሲ ዂሉ ሕጋጋተይን ኲሉ ፍርድታተይን ሓልዉ ግበርዎ ኸኣ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
ዘሌዋውያን ምዕራፍ 20
1እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ 2ንደቂ እስራኤል በሎም፡ ዝዀነ ሰብ ካብ ደቂ እስራኤል፡ ወይ ኣብ እስራኤል ካብ ዝነብሩ ጓኖት፡ ካብ ዘርኡ ንሞሎኽ ዝህብ፡ ሞት ይሙት፡ ህዝቢ እታ ሃገር ብዳርባ እምኒ ይቕተልዎ። 3መቕደሰይ ከርክስን ቅዱስ ስመይ ከኣ ከሕስር፡ ካብ ዘርኡ ንሞሎኽ ሂቡ እዩ እሞ፡ ኣነ ገጸይ ናብቲ ሰብ እቲ ኽመልስ፡ ካብ ህዝቡ ድማ ክምንቕሶ እየ። 4እቲ ሰብኣይ ዘርኡ ንሞሎኽ ክህብ ከሎ፡ እቶም ህዝቢ እታ ሃገር ከይቐትልዎ ኣዒንቶም እንተ ዓመቱ፡ 5ሽዑ ኣነ ናብቲ ሰብኣይ እትን ናብ ቤተ ሰቡን ገጸይ ክመልስ እየ፡ ንእኡን ነቶም ምስ ሞሎኽ ክምንዝሩ ብምንዝርና ዝስዕብዎ ዂሎም ድማ ካብ መንጎ ህዝቦም ክምንቁሶም እየ። 6ናብቶም መናፍስቲ ጥንቈላ ዘለውዎምን ናብ መውደቕቲ ዛዕጎልን ብምንዝርና ኽትስዕቦም ኢላ እትምለስ ነፍሲ፡ ኣነ ገጸይ ናብታ ነፍሲ እቲኣ ኽመልስ እየ፡ ካብ መንጎ ህዝባ ኸኣ ክምንቁሳ እየ። 7ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ፡ ስለዚ ንስኻትኩም ተቐደሱ ቅዱሳት ድማ ኩኑ። 8ሕጋጋተይ ሓልዉ፡ ግበርዎዉን። ዝቕድሰኩም ኣነ እግዚኣብሄር እየ። 9ዝዀነ ሰብ ነቦኡ ወይ ነዲኡ ዝረገመ፡ ሞት ይሙት። ነቦኡን ነዲኡን ረጊሙ እዩ እሞ፡ ደሙ ኣብ ልዕሊኡ እዩ። 10ኣብ ሰበይቲ ሰብኣይ ዝዘመወ ሰብ፡ ኣብ ሰበይቲ ብጻዩ ዝዘመወ፡ እቲ ዝዘመወን እታ ዝዘመወትን ሞት ይሙቱ። 11ምስ ሰበይቲ ኣቦኡ ዝደቀሰ ሰብ፡ ሕፍረት ኣቦኡ ቐልዐ፡ ክልቲኦም ሞት ይሙቱ። ደሞም ኣብ ልዕሊኦም እዩ። 12ምስ ሰበይቲ ወዱ ዝደቀሰ ሰብ፡ ክልቲኦም ሞት ይሙቱ። ነውሪ ገይሮም እዮም፡ ደሞም ኣብ ልዕሊኦም እዩ። 13ሰብኣይ ከም ምስ ሰበይቲ ምስ ሰብኣይ እንተ ደቀሰ፡ ክልቲኦም ነውሪ ገይሮም እዮም፡ ሞት ይሙቱ፡ ደሞም ኣብ ልዕሊኦም እዩ። 14ሓደ ሰብ ድማ ጓልን ኣዲኣን እንተ ኣእተወ፡ እዚ ርኽሰት እዩ፡ ርኽሰት ኣብ ማእከልኩም ከይርከብሲ፡ ንሱን ንሳተንን ብሓዊ ይንደዱ። 15ሰብ ከኣ ምስ እንስሳ ብስጋ እንተ ተራኸበ፡ ሞት ይሙት፡ ነታ እንስሳውን ቅተልዋ። 16ሰበይቲ ድማ ብስጋ ኽትራኽቦ ኢላ ናብ ገለ እንስሳ እንተ ቐረበት፡ ነታ ሰበይትን ነቲ እንስሳን ቅተሎም፡ ሞት ይሙቱ፡ ደሞም ኣብ ልዕሊኦም እዩ። 17ሰብ ከኣ ሓብቱ፡ ጓል ኣቦኡ ወይ ጓል ኣዲኡ፡ እንተ ኣእተወ፡ ሕፍረታ ድማ እንተ ረኣየ፡ ንሳውን ሕፍረቱ እንተ ረኣየት፡ እዚ ነውሪ እዩ፡ ኣብ ቅድሚ ደቂ ህዝቦም ይመንቈሱ። ንሱ ሕፍረት ሓብቱ ቐሊዑ እዩ፡ ክፍኣቱ ኽጸውር እዩ። 18ሰብ ከኣ ምስ በዓልቲ ጻግነ ሰበይቲ እንተ ደቀሰ፡ ሕፍረታውን እንተ ቐልዐ፡ ፈልፋሊኣ ቐልዐ፡ ንሳ ኸኣ ፈልፋሊ ደማ ቐልዐት፡ ስለዚ ኽልቲኦም ካብ ማእከል ህዝቦም ክምንቄሱ እዮም። 19ሕፍረት ሓትኖኻን ኣሞኻን ኣይትቅላዕ። ሕፍረት ቀረባ ስጋኡ ቐሊዑ እዩ እሞ፡ ክፍኣቶም ክጾሩ እዮም። 20ሰብ ድማ ምስ ሰበይቲ ሓው ኣቦኡ እንተ ደቀሰ፡ ሕፍረት ሓው ኣቦኡ ቐልዐ፡ ሓጢኣቶም ይጹሩ፡ ሓድጊ ዘይብሎም ይሙቱ። 21ሰብ ከኣ ሰበይቲ ሓዉ እንተ ኣእተወ፡ እዚ ርኽሰት እዩ፡ ሕፍረት ሓዉ ቐልዐ፡ ሓድጊ ዘይብሎም ይኹኑ። 22እታ ኽትነብሩላ ኢለ ኣነ ናብኣ ዘእትወኩም ምድሪ ኸይትተፍኣኩምሲ፡ ኲሉ ሕጋጋተይን ኲሉ ፍርድታተይን ሓልዉን ግበሩን። 23ብኣመል እቶም ኣነ ኻብ ቅድሜኹም ዝሰጎም ህዝቢ ኣይትኺዱ፡ እዚ ዂሉ ገይሮም እዮም እሞ፡ ፈንፈንክዎም። 24በልኩኹም ድማ፥ ንስኻትኩም ምድሮም ክትርስተዩ ኢኹም፡ ኣነ ኸኣ እታ ጸባን መዓርን እትውሕዝ ምድሪ ንርስቲ ኽህበኩም እየ። ካብ ህዝብታት ዝፈሌኹኹም ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ። 25እምብኣርሲ ኣብ መንጎ ንጹሃትን ርኹሳትን እንስሳ፡ ኣብ መንጎ ርኹሳትን ንጹሃትን ኣዕዋፍ ድማ ፍለዩ፡ በቶም ርኹሳት ገይረ ዝፈሌኹልኩም እንስሳን ኣዕዋፍን ኣብ ምድሪ ለመም ዝብልን፡ ንነፍሳትኩም ኣይተርክሱ። 26ኣነ እግዚኣብሄር ቅዱስ እየ እሞ፡ ቅዱሳን ኩኑለይ፡ ናተይ ክትኰኑ ኸኣ ካብ ህዝብታት ፈልየኩም እየ። 27ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ መንፈስ ጥንቈላ እንተለዎ፡ ወይ መውደቕ ዛዕጐል እንተ ዀነ፡ ሞት ይሙት፡ ብዳርባ እምኒ ይቕተልዎም፡ ደሞም ኣብ ልዕሊኦም እዩ።
ዘሌዋውያን ምዕራፍ 21
1እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ በሎ፡ ንኻህናት፡ ነቶም ደቂ ኣሮን፡ ተዛረቦም በሎም ከኣ፡ ብገለ ምዉት ካብ ህዝቢ ኣይርከስ፡ 2ብጀካ ብቐረባ ዘመዱ፡ በዲኡ ወይ በቦኡ ወይ ብወዱ ወይ ብጓሉ ወይ ብሓዉ፡ 3ድማ በታ እትቐርቦ ድንግል፡ ዘይተመርዓወት ሓብቱ፡ ብእኣ ይርከስ። 4ኣብ መንጎ ህዝቡ ጐይታ እዩ፡ ከይገሃስ ርእሱ ኣየርክስ። 5ርእሶም ላጽዮም ኣየብርሑ፡ ወሰነ ወሰነ ጭሕሞም ድማ ኣይላጽዩ፡ ኣብ ስጋኦም ከኣ ብጣሕ ኣይብጥሑ። 6ንኣምላኾም ቅዱሳት ይኹኑ፡ ስም ኣምላኾምውን ኣየርክሱ። ንሳቶም ናይ እግዚኣብሄር መስዋእቲ ሓዊ፡ እንጌራ ኣምላኾም፡ የቕርቡ እዮም እሞ፡ ስለዚ ቅዱሳት ይኹኑ። 7ንኣምላኹ ቅዱስ እዩ እሞ፡ ኣመንዝራ ወይ ዝነወረት ሰበይቲ ኣየእትዉ፡ ወይ ካብ ሰብኣያ እተፈትሐት ሰበይቲ ኣየእትዉ፡ 8ንሱ እንጌራ ኣምላኽካ የቕርብ እዩ እሞ፡ ስለዚ ቀድሶ። ኣነ እግዚኣብሄር ዝቕድሰኩም ቅዱስ እየ እሞ፡ ንሱ ንኣኻ ቅዱስ ይኹን። 9ጓል ካህን ብምንዝርና እንተ ረኸሰት። ንሳ ነቦኣ ኣርከሰት። ብሓዊ ትንደድ። 10እቲ ኣብ ርእሱ ዘይቲ ቕብኣት እተኻዕዎ፡ ቅዱስ ኣልባስ ክለብስ ድማ እተቐደሰ፡ ኣብ ኣሕዋቱ ኸኣ ሊቀ ኻህናት ዝዀነ፡ ንሱ ርእሱ ኣይቕላዕ፡ ክዳኑውን ኣይቕደድ። 11ናብ ገለ ምዉት ሰብ ድማ ኣይእቶ፡ በቦኡን በዲኡን ከኣ ኣይርከስ። 12እቲ ኣኽሊል ዘይቲ ቕብኣት ኣምላኹ ኣብ ልዕሊኡ እዩ እሞ፡ ካብ መቕደስ ኣይውጻእ፡ መቕደስ ኣምላኹ ኸኣ ኣየርክስ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ። 13ንሱ ድማ ብድንግልናኣ ዘላ ሰበይቲ የእቱ። 14ሰበይቲ ኻብ ህዝቡ ድንግል የእቱ እምበር፡ መበለት ወይ ፍትሕቲ ወይ ዝረኸሰት ወይ ኣመንዝራ ኣየእቱ። 15ዝቕድሶ ኣነ እግዚኣብሄር እየ እሞ፡ ዘርኡ ኣብ ማእከል ህዝቡ ኣየርክስ። 16እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ 17ንኣሮን ከምዚ ኢልካ ተዛረቦ፡ ብዝመጽእ ወለዶኦም ዝዀነ ሰብ ካብ ዘርእኻ ጐደሎ ዘለዎ፡ እንጌራ ኣምላኹ ከቕርብ ኢሉ ኣይቕረብ። 18ዝዀነ ሰብ ጐደሎ ዘለዎ፡ ዕዉር ወይ ሓንካስ ወይ ጥፍሉሕ ኣፍንጫኡ ወይ ኣብ ኣካሉ ገለ ሓለፋ ዘለዎ፡ 19ወይ ስቡር እግሪ ወይ ስቡር ኢድ ዘለዎ ሰብ፡ 20ወይ ጐባጥ ወይ ድንኪ ወይ ዓይኑ ዝሓበለ ወይ ሻሕራም ወይ ዓባቕ ወይ ስሉብ ኣይቕረብ። 21ካብ ዘርኢ ኻህን ኣሮን ጐደሎ ዘለዎ ዘበለ ሰብ መስዋእቲ ሓዊ እግዚኣብሄር ከቕርብ ኣይቕረብ። ጐደሎ ኣለዎ፡ እንጌራ ኣምላኹ ከቕርብ ኢሉ ኣይቕረብ። 22እንጌራ ኣምላኹ ካብቲ ቅዱስ ቅዱሳንን ካብቲ ቅዱስን ይብላዕ። 23ዝቕድሶም ኣነ እግዚኣብሄር እየ እሞ፡ ጐደሎ ስለ ዘለዎ፡ መቓድሰይ ከየርክስ፡ ናብ ውሽጢ መጋረጃ ኣይእቶ፡ ናብ መሰውኢ ኸኣ ኣይቕረብ። 24ሙሴ ድማ እዚ ንኣሮንን ንደቁን ንዂሎም ደቂ እስራኤልን ተዛረቦም።
ዘሌዋውያን ምዕራፍ 22
1እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ 2ንኣሮንን ንደቁን፡ ካብቲ ደቂ እስራኤል ዝቕድሱለይ ቅዱስ ነገር ክፍለዩን፡ ነቲ ቅዱስ ስመይ ከኣ ከየርክሱን ንገሮም። ኣነ እግዚኣብሄር እየ። 3ብዝመጽእ ወለዶኹም፡ ዝዀነ ሰብ ካብ ኲሉ ዘርእኹም፡ ርኽሰቱ ኣብ ልዕሊኡ ኸሎ፡ ናብቲ ደቂ እስራኤል ንእግዚኣብሄር ዝቕድሱሉ ቅዱስ ነገር ዝቐረበ፡ እታ ንፍሲ እቲኣ ኻብ ቅድመይ ክትምንቈስ እያ፡ በሎም። ኣነ እግዚኣብሄር እየ። 4ዝዀነ ሰብ ካብ ዘርኢ ኣሮን ለምጻም ወይ ዘርኡ ዝከዓዎ፡ ክሳዕ ዝነጽህ ካብቲ ቅዱስ ነገር ኣይብላዕ። ብምዉት ዝረኸሰ ዘበለ ነገር ዝተንከየ፡ ወይ ዘርኡ ኻብኡ ዝወጾ ሰብ፡ 5ንዘርክሶ ዘበለ ለመምታ ዝተንከየ ሰብ፡ ወይ ዝዀነ ርኽሰት ብዘለዎ ሰብ ዝረኸሰ፡ 6ነዚ ዝተንከየት ነፍሲ ኽሳዕ ምሸት ርኽስቲ ትኹን፡ ስጋኡ ብማይ ክሳዕ ዝሕጸብ ካብቲ ቅዱስ ነገር ኣይብላዕ። 7ጸሓይ ምስ ዓረበት ከኣ ይነጽህ፡ ድሕርቲ፡ ንሱ ምግቡ እዩ እሞ፡ ካብቲ ቅዱስ ነገር ይብላዕ። 8ብእኡ ኸይረክስሲ፡ ሕሉቕን ኣራዊት ዝቐተሎን ኣይብላዕ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ። 9ብዛዕባኡ ሓጢኣት ከይጾሩ፡ እንተ ኣርከስዎ ድማ፡ ከይሞቱ፡ ትእዛዘይ ይሓልዉ። ዝቕድሶም ኣነ እግዚኣብሄር እየ። 10ጓና ዘበለ ኻብቲ ቅዱስ ነገር ኣይብላዕ፡ ምስ ካህን ዝነብር ወይ ግዙኡ ኻብቲ ቅዱስ ነገር ኣይብላዕ። 11እቲ ኻህን ብገንዘቡ ተሻይጡ ሰብ እንተ ኣጥረየ ግና፡ ንሱ ኻብኡ ይብላዕ፡ ኣብ ቤቱ እተወልደ ኸኣ ከምኡ፡ እዚኣቶም ካብቲ እንጌራኡ ይብልዑ። 12ጓል ካህን ድማ ሰበይቲ ጓና እንተ ዀነት ካብቲ ናይ ቅዱስ ነገር ዝልዓል መስዋእቲ ኣይትብላዕ። 13ጓል ካህን መበለት እንተ ዀነት ወይ ፍትሕቲ፡ ውሉድ ከኣ ዘይብላ፡ ተመሊሳ፡ ከምቲ ብጓላ ኸላ፡ ኣብ ቤት ኣቦኣ እንተ ተቐመጠት፡ ካብ እንጌራ ኣቦኣ ትብላዕ። ጓና ዘበለ ግና ካብኡ ኣይብላዕ። 14ዝዀነ ሰብ ብዘይ ምፍላጥ ካብቲ ቅዱስ ነገር እንተ በልዐ፡ ኣብ ልዕሊኡ ሓምሳይ ኣፍ ወሲኹ እቲ ቅዱስ ነገር ንኻህን ይሃቦ። 15-16ዝቕድሶም ኣነ እግዚኣብሂር እየ እሞ፡ ንሳቶም ካብቲ ዝቐደስዎ ነገር ብምብላዖም በደል ዝዀኖም ክፍኣት ከይጾሩስ፡ ነቲ ደቂ እስራኤል ንእግዚኣብሄር ዝስውእዎ ቅዱስ ነገር ኣየርክሱ። 17እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ 18ንኣሮንን ንደቁን ንዂሎም ደቂ እስራኤልን ተዛረቦም በሎም ከኣ፡ ዝዀነ ሰብ ካብ ቤት እስራኤል ወይ ኣብ እስራኤል ካብ ዝነብር ጓና መስዋእቱ ዘቕርብ፡ መስዋእቲ መብጽዓ ዀነ ወይ መስዋእቲ ፍቓድ፡ ንእግዚኣብሄር ንዝሓርር መስዋእቲ ዘቕርብዎ፡ 19ምእንቲ ኽፍተወልኩም፡ ካብ ኣብዑር ኰነ ወይ ካብ ኣባጊዕ ወይ ካብ ኣጣል፡ ጐደሎ ዘይብሉ ተባዕታይ ኣቕርቡ። 20ጐደሎ ዘለዎ ዘበለ ግና ኣይፍተወልኩምን እዩ እሞ፡ ኣይተቕርብዎ። 21ዝዀነ ሰብ ድማ ንምፍጻም መብጽዓ ወይ መስዋእቲ ፍቓድ፡ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ምስጋና፡ ካብ ማል ኰነ ወይ ካብ ጤለበጊዕ፡ ምስ ዘቕርብ፡ ምእንቲ ኽፍቶ ጐደሎ ዘይብሉ ይኹን፡ ገለ እኳ ጐደሎ ኣይሃልዎ። 22ዕውር ወይ ስቡር ወይ ቁሩጽ ወይ ቁሱል ወይ ዓባቕ ወይ ሻሕራም፡ እዚ ንእግዚኣብሄር እይተቕርቡሉ። ካብ እዚኣቶም ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ሓዊ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ ኣይትግበሩ። 23ብዕራይ ወይ በጊዕ ኣካሉ እንተ ነውሐ ወይ እንተ ሓጸረ፡ ንመስዋእቲ ፍቓድሲ ግበሮ፡ ንመስዋእቲ መብጽዓ ግና ኣይፍቶን እዩ። 24ብምጭፍላቕ ወይ ብምቕጥቃጥ ወይ ብምምላሕ ወይ ብምቑራጽ ዝሶረ ንእግዚኣብሄር ኣይተቕርቡሉ፡ ኣብ ሃገርኩምውን ኣይትግበርዎ። 25እዚኣቶም ጒዱኣት እዮም፡ ጐደሎ ኣለዎም እሞ፡ ካብ ኢድ ጓና ድማ ካብዚ ዂሉ እንጌራ ኣምላኽኩም ኣይተቕርቡ፡ ኣይፍተወልኩምን እዩ። 26እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ 27ብተይ ወይ ዕየት ወይ ማሕስእ ምስ ተወልደ፡ ሾብዓተ መዓልቲ ምስ ኣዲኡ ይጽናሕ፡ ካብ ሳምነይቲ መዓልቲ ንንየው ከኣ ንመስዋእቲ ሓዊ ንእግዚኣብሄር ፍትዊ እዩ። 28ላም ኰነ ወይ በጊዕ ምስ ውላዳ ብሓንቲ መዓልቲ ኣይትሕረዱ። 29መስዋእቲ ምስጋና ንእግዚኣብሄር ምስ እትስውኡሉ፡ ከም ዝፍተወልኩም ጌርኩም ሰውእዎ። 30በታ መዓልቲ እቲኣ ይበላዕ፡ ካብኣ ገለ እኳ ኽሳዕ ንጽብሒቱ ኣይትሕደጉ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ። 31ትእዛዛተይ ድማ ሓልዉ፡ ግበርዎውን። ኣነ እግዚኣብሄር እየ። 32ኣብ ማእከል ደቂ እስራኤል ምእንቲ ክቕደስሲ፡ ነቲ ቅዱስ ስመይ ኣይተርክስዎ። ዝቕድሰኩም ኣነ እግዚኣብሄር እየ። 33ኣምላኽኩም ምእንቲ ክኸውን፡ ካብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻእኩኹም፡ ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
ዘሌዋውያን ምዕራፍ 23
1እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ 2ንደቂ እስራእል ተዛረቦም በሎም ከኣ፡ ንቕዱስ ኣኼባታት እትእውጁለን በዓላት እግዚኣብሄር፡ እዚኣተን በዓላተይ እየን፡ 3ሹድሽተ መዓልቲ ዕዮ ይተዓየ፡ እታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ግና ንቕዱስ ኣኼባ ዝጽውዑላ ሰንበት ዕረፍቲ እያ። ገለ እኳ ዕዮ ኣይትዕየዩላ፡ ንሳ ኣብ ኲሉ ትነብርዎ ሰንበት እግዚኣብሄር እያ። 4እቶም ምዱብ ግዝያቶም ንቕዱስ ኣኼባታት እትእውጁሎም በዓላት እግዚኣብሄር እዚኣቶም እዮም፡ 5ኣብታ ቐዳመይቲ ወርሒ፡ ካብታ ወርሒ ኸኣ ኣብ መበል ዓሰርተው ኣርባዕተ መዓልቲ፡ ክመሲ ኸሎ፡ ፋስጋ እግዚኣብሄር እዩ። 6በታ ወርሒ እቲኣ ድማ ኣብ መበል ዓሰርተው ሓሙሽተ መዓልቲ ንእግዚኣብሄር በዓል ቅጫ እዩ። ሾብዓተ መዓልቲ ቕጫ ብልዑ። 7በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ቅዱስ ኣኼባ ይኹነልኩም፡ ተግባር ዕዮ ዘበለ ኣይትዕየዩ። 8ሾብዓተ መዓልቲ ድማ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ሓዊ ኣቕርቡ። በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ቅዱስ ኣኼባ ይኹን፡ ተግባር ዕዮ ዘበለ ኣይትዕየዩ። 9እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛርቦ፡ ንደቂ እስራኤል ተዛረቦም፡ 10በሎም ከኣ፡ ናብታ ኣነ ዝህበኩም ምድሪ ምስ ኣቶኹም፡ ዓጺድ ክትዓጽዱ ኸሎኹም ድማ፡ ካብቲ ቐዳማይ ዓጺድኩም ሓንቲ እንዳእቲ ናብ ካህን ኣምጽኡ። 11ምእንቲ ኽትፍተወልኩም ከኣ፡ ነታ እንዳእቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይወዝውዛ፡ እቲ ኻህን በታ ድሕሪ ሰንበት ዘላ መዓልቲ ይወዝውዛ። 12በታ እንዳእቲ እትውዝውዙላ መዓልቲ ድማ ንእግዚኣብሄር ንዝሓርር መስዋእቲ ጐደሎ ዘይብሉ ገንሸል ዓመት ሰውኡ። 13ነታ ምስኡ ዘሎ መስዋቲ ብልዒ ድማ ክልተ ዓስራይ ኣፍ ኤፋ ብዘይቲ እተቘምጥዐ ድኹም ሓርጭ ንመስዋእቲ ሓዊ ንእግዚኣብሄር ንጥዑም ጨና፡ ንመስዋእቲ መስተ ኸኣ ራብዓይ ኣፍ ሂን ወይኒ ይኹን። 14ክሳዕ እታ ንኣምላኽኩም መስዋእቲ እተቕርቡላ መዓልቲ፡ እንጌራ ዀነ፡ ጥቡስ ሰዊት ኰነ፡ ዘይጥቡስ ሰዊት ኰነ ኣይትብልዑ። እዚ ኣብ ኲሉ እትነብርዎ ንውሉድ ወለዶኹም ሕጊ ዘለኣለም ይኹንኩም። 15ካብታ ዝውዝወዝ እንዳእቲ ዘምጻእኩምላ መዓልቲ፡ ካብ ጽባሕ እታ ሰንበት ቈጺርኩም ሾብዓተ ምሉኣት ሰናብቲ ይኹና። 16ክሳዕ ጽባሕ እታ ሳብዐይቲ ሰንበት ሓምሳ መዓልቲ ቑጸሩ፡ ሽዑ ንእግዚኣብሄር ሓድሽ መስዋእቲ ብልዒ ኣቕርቡ። 17ካብቲ እትነብርዎ፡ እንጌራ መስዋእቲ ምውዝዋዝ ክልተ ዓስራይ ኣፍ ኤፋ ድኹም ሓርጭ፡ በኹዕ እተሰንከተ ኽልተ እንጌራ ህያብ በዂራት ንእግዚኣብሄር ኣምጽኡ። 18ምስቲ እንጌራ ድማ ጐደሎ ዘይብሎም ሾብዓተ ገንሸል ዓመት፡ ሓደ ዝራብዕ፡ ክልተ ድዑል ኣቕርቡ፡ ንእግዚኣብሄር ዝሓርር መስዋእቲ ይኹኑ። ምስቲ ናይ ብልዒ መስዋእቶምን ናይ መስተ መስዋእቶምን ከኣ ንእግዚኣብሄር ጥዑም ጨና መስዋእቲ ሓዊ ይኹን። 19ንመስዋእቲ ሓጢኣት ድማ ሓደ ድቤላ፡ ንመስዋእቲ ምስጋና ኸኣ ክልተ ገንሸል ዓመት ሰውኡ። 20እቲ ኻህን ድማ ንኣታቶም ምስቲ እንጌራ በዂራትን ምስ ክልቲኦም ገንሸልን ገይሩ፡ ንዝውዝወዝ መስዋእቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይወዝውዞ። ንእግዚኣብሄር እተቐደሱ፡ ንኻህን ይኹኑ። 21በታ መዓልቲ እቲኣ በዓል ኣውጁ፡ ቅዱስ ኣኼባ ይኹነልኩም፡ ተግባር ዕዮ ዘበለ ኣይትዕየዩ። እዚ ኣብ ኲሉ እትነብርዎ ንውሉድ ወለዶኹም ሕጊ ዘለኣለም እዩ። 22ዓጺድ ምድርኹም ክትዓጽዱ ኸሎኹም፡ ክሳዕ ወሰን ግራትካ ኣይትዕጸድ፡ ንቐሪም እቲ ዕጹድካውን ኣይትእረዮ፡ ንድኻን ንስደተኛን ደኣ ሕደጎ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ። 23እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ 24ንደቂ እስራኤል ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፡ ኣብ ሳብዐይቲ ወርሒ፡ ካብታ ወርሒ ኸኣ ብቐዳመይቲ መዓልቲ፡ ዕረፍቲ ንመዘከርታ ብቓና መለኸት፡ ቅዱስ ኣኼባ ይኹነልኩም። 25ተግባር ዕዮ ዘበለ ኣይትዕየዮ፡ ንእግዚኣብሄር ድማ መስዋእቲ ሓዊ ኣቕርቡ። 26እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ 27ካብዛ ሳብዐይቲ ወርሒ እዚኣ፡ ኣብ ዓስረይቲ መዓልቲ፡ ንሳ መዓልቲ ዕርቂ እያ። ሽዑ ቅዱስ ኣኼባ ይኹነልኩም፡ ነፍስኹም ድማ ኣዋርዱ፡ ንእግዚኣብሄር ከኣ መስዋእቲ ሓዊ ሰውኡ። 28ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እትዕረቑላ መዓልቲ ዕርቂ እያ እሞ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ገለ ዕዮ ኣይትዕየዩ። 29በታ መዓልቲ እቲኣ ዘይትዋረድ ዘበለት ነፍሲ ኻብ ህዝባ ኽትምንቆስ እያ። 30በታ መዓልቲ እቲኣ ዝዀነ ዕዮ እትዓዪ ዘበለት ነፍሲ፡ ነታ ነፍሲ እቲኣ ኻብ ማእከል ህዝባ ኸጥፍኣ እየ። 31ገለ እኳ ዕዮ ኣይትዕየዩ። ኣብ ኲሉ እትነብርዎ፡ ንውሉድ ወለዶኹም ሕጊ ዘለኣለም እዩ። 32እዚኣ ፍጹም ሰንበት ዕረፍቲ ትኹነልኩም፡ ነፍሳትኩም ከኣ ኣዋርዱ። ካብዛ ወርሒ እዚኣ፡ ኣብ ታስዐይቲ መዓልቲ ምሸት፡ ንሰንበትኩም ካብ ምሸት ክሳዕ ምሸት ኣብዕልዋ። 33እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ 34ንደቂ እስራኤል ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፡ ካብዛ ሳብዐይቲ ወርሒ፡ ኣብ መበል ዓሰርተው ሓሙሽተ መዓልቲ፡ ንእግዚኣብሄር ሾብዓተ መዓልቲ በዓል ዳስ እዩ። 35ኣብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ቅዱስ ኣኼባ ይኹን፡ ተግባር ዕዮ ዘበለ ኣይትዕየዩ። 36ሾብዓተ መዓልቲ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ሓዊ ኣቕርቡ፡ ብሳምነትይቲ መዓልቲ ቅዱስ ኣኼባ ይኹነልኩም፡ ንእግዚኣብሄር ከኣ መስዋእቲ ሓዊ ኣቕርቡ። ዓብዪ በዓል ማሕበር እዩ፡ ተግባር ዕዮ ዘበለ ኣይትዕየዩ። 37ቅዱስ ኣኼባታት እትእውጁለን፡ እቲ በብመዓልቱ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ሓዊ፡ ዝሓርር መስዋእቲ፡ መስዋእቲ ብልዕን መስዋእቲ ሕሩድን መስዋእቲ መስተን እተቕርቡለን በዓላት እግዚኣብሄር እዚኣተን እየን። 38እዚ ብዘይ ሰናብቲ እግዚኣብሄርን ብዘይ እቲ ህያባትኩምን ብዘይ ኲሉ መብጽዓኹምን ብዘይ እቲ ንእግዚኣብሄር ብፍቓድ እትህብዎ ዂሉ መስዋእትኹምን እዩ። 39ካብታ ሳብዐይቲ ወርሒ፡ ኣብ መበል ዓሰርተው ሓሙሽተ መዓልቲ፡ እቶት እታ ምድሪ ምስ ኣታሕሰስኩም፡ ሾብዓተ መዓልቲ በዓል እግዚኣብሄር ኣብዕሉ። በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ሰንበት ዕረፍቲ ትኹን። በታ ሳምነይቲ መዓልቲ ድማ ሰንበት ዕረፍቲ ትኹን። 40በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ዝበለጸ ፍረ ኦም፡ ጨናፍር ስየን ጨናፍር ደስዳስ ኣእዋምን፡ ዕቦል ርባ ከኣ ውሰዱ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ድማ ሾብዓተ መዓልቲ ተሓጐሱ። 41ነዚ በዓል እዚ ኣብ ዓመት ሾብዓተ መዓልቲ ንእግዚኣብሄር ኣብዕልዎ። እዚ ንውሉድ ወለዶኹም ሕጊ ዘለኣለም እዩ። ኣብ ሳብዐይቲ ወርሒ ኣብዕልዎ። 42-43እቲ ንደቂ እስራኤል ካብ ምድሪ ግብጺ ኸውጽኦም ከሎኹ ኣብ ዳስ ከም ዘስፈርክዎም፡ ውሉድ ወለዶኹም ምእንቲ ኽፈልጡ፡ ሾብዓተ መዓልቲ ኣብ ዳስ ተቐመጡ፡ ካብ እስራኤል እተወልዱ ዘበሉ ኣብ ዳስ ይቀመጡ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ። 44ሙሴ ድማ፡ ብዛዕባ እተን ምዱባት በዓላት እግዚኣብሄር ንደቂ እስራኤል ተዛረቦም።
ዘሌዋውያን ምዕራፍ 24
1እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ 2እቲ ቐንዴል ወርትግ ክበርህሲ፡ ደቂ እስራኤል ንቐዋሚ ቐንዴል ዝኸውን እተጐድአ ጽሩይ ዘይቲ ኣውልዕ ከምጽኡልካ፡ ኣዝዝ። 3ኣሮን ኣብ ድንኳን ምርኻብ፡ ብወጻኢ እቲ ኣብ ቅድሚ ምስክር ዘሎ መጋረጃ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ካብ ምሸት ክሳዕ ብጊሓት ወርትግ የዳልዎ። እዚ ንውሉድ ወለዶኹም ሕጊ ዘለኣለም ይኹን። 4ነቲ ቐነዲል ኣብቲ ጽሩይ ቀዋሚ ቐንዴል ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ወርትግ የዳልዎ። 5ድኹም ሓርጭ ወሲድካ ድማ፡ ካብኡ ዓሰርተው ክልተ እንጌራ ሰንክት፡ ነንሓደ እንጌራ ክልተ ዓስራይ ኣፍ ኤፋ ይኹን። 6ኣብቲ ጽሩይ ሰደቓ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር በብሹድሽተ ጌርካ ኣብ ክልተ መስርዕ ኣንብሮ። 7ነቲ እንጌራ ድማ ንመዘከርታ፡ መስዋእቲ ሓዊ ንእግዚኣብሄር ክኸውንሲ፡ ኣብ ለልዕሊ እቲ መመስርዕ እንጌራ ጽሩይ ዕጣን ኣንብር። 8ካብ ደቂ እስራኤል ንኪዳን ዘለኣለም በብመዓልቲ ሰንበት ወርትግ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የዳልዎ። 9እዚ ኻብ መስዋእቲ ሓዊ እግዚኣብሄር ንእኡ ቅዱስ ቅዱሳን እዩ እሞ፡ ንኣሮንን ንደቁን ይኹን፡ ኣብ ቅዱስ ቦታ ኸኣ ይብልዕዎ። እዚ ናይ ዘለኣለም ሕጊ እዩ። 10ወዲ ሓንቲ እስራኤላዊት ሰበይቲ፡ ንሱ ኸኣ ወዲ ምስራዊ ሰብኣይ፡ ኣብ ማእከል ደቂ እስራኤል ወጸ፡ ወዲ እታ እስራኤላዊት ሰበይትን ሓደ እስራኤላዊ ሰብኣይን ድማ ኣብቲ ሰፈር ተበኣሱ። 11ወዲ እታ እስራኤላዊት ሰበይቲ ኸኣ ንስም እግዚኣብሄር ጸረፈን ኣቃለለን። ናብ ሙሴ ድማ ኣምጽእዎ። ስም ኣዲኡ ኸኣ ሰሎሚት ጓል ዲብሪ፡ ካብ ነገድ ዳን ነበረት። 12ብዛዕባኡ ብኣፍ እግዚብሄር ክሳዕ ዝቑረጸሎም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣጽንሕዎ። 13እግዚብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ 14ነቲ መቃለሊ ናብ ወጻኢ ሰፈር ኣውጽኣዮ፡ እቶም ዝሰምዕዎ ዂሎም ከኣ ኣእዳዎም ኣብ ልዕሊ ርእሱ የንብሩ፡ ብዘሎ እቲ ኣኼባ ድማ ብዳርባ እምኒ ይቕተሎ። 15ንደቂ እስራኤል ከኣ ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፡ ዝዀነ ሰብ ንኣምላኹ ዘቃለለ፡ ሓጢኣቱ ይጸውር። 16እቲ ስም እግዚኣብሄር ዝጸርፍ፡ ሞት ይሙት፡ ብዘሎ እቲ ኣኼባ ብዳርባ እምኒ ይቕተሎ። ጓና ዀነ ወይ ወዲ ዓዲ፡ ስም እግዚኣብሄር ምስ ዝጸርፍ ይሙት። 17ንዝዀነ ሰብ ዝቐተለ ሰብ፡ ሞት ይሙት። 18እንስሳ ዝቐተለ ይተክእ፡ ህይወት ኣብ ክንዲ ህይወት። 19ሰብ፡ ኣካል ብጻዩ ምስ ዘጒድል፡ ከምቲ ንሱ ዝገበሮ ይግበርዎ፡ 20ምስባር ኣብ ክንዲ ምስባር፡ ዓይኒ ኣብ ክንዲ ዓይኒ፡ ስኒ ኣብ ክንዲ ስኒ። ከምቲ ንሱ ንሰብ ዘጒደሎ፡ ንእኡ ድማ ከምኡ ይግበርዎ። 21እንስሳ ዝቐተለ ይተክኣሉ፡ ሰብ ዝቐተለ ኸኣ ይሙት። 22ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ እሞ፡ ንጓና ኸም ዝዀነ፡ ንወዲ ዓዲውን ከምኡ ይኹን፡ ሓደ ፍርዲ ይኹነልኩም። 23ሙሴ ኸኣ ንደቂ እስራኤል ተዛረቦም። ንሳቶም ድማ ነቲ መቃለሊ ናብ ወጻኢ ሰፈር ኣውጺኦም፡ ብዳርባ እምኒ ቐተልዎ። ደቂ እስራኤል ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ገበሩ።
ዘሌዋውያን ምዕራፍ 25
1እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኣብ ከረን ሲና ከምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ 2ንደቂ እስራኤል ተዛረቦም በሎም ከኣ፡ ኣብታ ኣነ ዝህበኩም ምድሪ ምስ ኣቶኹም፡ እታ ምድሪ ንእግዚኣብሄር ሰንበት ተብዕል። 3ሹድሽተ ዓመት ግራትካ ዝራእ ሹድሽተ ዓመት ከኣ ወይንኻ ጠጥፍ፡ ፍሬኣ ድማ ኣክብ። 4በታ ሳብዐይቲ፡ ሰንበት እግዚኣብሄር ይኹን፡ ግራትካ ኣይትዝራእ ወይንኻውን ኣይትጠጥፍ። 5ባልጋ ቐሪምካ ኣይትዕጸድ፡ እቲ ኸይጠጠፍካዮ ዝፈረየ ኣስካል ወይንኻ ድማ ኣይትቐንጥብ። ነታ ምድሪ ዓመት ሰንበት ዕረፍቲ ይኹን። 6ሰንበት እታ ምድሪ ንኣኻን ንግዙእካን ንግዝእትኻን ንወዓላይካን ነቲ ምሳኻ ዝነብር ስደተኛን ምግብኹም ይኹን። 7ኲሉ ፍሬኣ ንማልካን ኣብ ምድርኻ ንዘለዉ እንስሳን ቀለብ ይኹን። 8ድማ ሾብዓተ ሰናብቲ ዓመታት፡ ንኣኻ ሾብዓተ ሳዕ ሾብዓተ ዓመት ጌርካ ቑጸር፡ ዘበን እቲ ሾብዓተ ሰናብቲ ዓመታት ኣርብዓን ትሽዓተን ዓመት ይኹነልካ። 9ሽዑ ኣብ ሳብዐይቲ ወርሒ ብዓስረይቲ መዓልቲ መለኸት ንፋሕ፡ ብመዓልቲ ዕርቂ ኣብ ብዘላ ሃገርኩም መለኸት ንፍሑ። 10ነታ መበል ሓምሳ ዓመት ቀድስዋ። ኣብታ ምድሪ ኸኣ፡ ኣብኣ ንዝነብሩ ዂሎም ሓርነት ኣውጁ። እዚኣ ዓመት እልልታ ትኹነልኩም፡ ነፍሲ ወከፍኩም ነናብ ርስቱ ይመለስ፡ ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ ነናብ ዓሌቱ ይመለስ። 11እዛ መበል ሓምሳ ዓመት እዚኣ ዓመት እልልታ ትኹነልኩም፡ ኣይትዝርኡ፡ እቲ ባሊጉ ኣብኣ ዝበቘለ ኸኣ ኣይትዕጸዱ፡ እቲ ዘይተጠጠፈ ወይኒ ድማ ኣይትቐንጥቡ። 12እዚኣ ዓመት እልልታ እያ እሞ፡ ቅድስቲ ትኹነልኩም። ካብ ግራት ዝኣተወ ብልዑ። 13በዛ ዓመት እልልታ ነፍሲ ወከፍኩም ነናብ ርስቱ ይመለስ። 14ገለ ንብጻይካ እንተ ሸጥካሉ፡ ወይ ካብ ኢድ ብጻይካ ገለ እንተ ተሻይጥካ፡ ሓደ እኳ ንሓዉ ኣይዓምጽ። 15ብቑጽሪ ዓመታት ድሕሪ ዓመት እልልታ ኻብ ብጻይካ ተሻየጥ፡ ንሱ ድማ ብቑጽሪ ዓመታት ፍሬኡ ይሽጠልካ። 16ብቑጽሪ ዓመታት ፍረ እዩ ዝሸጠልካ እሞ፡ ብመጠን ምብዛሕ ዓመታት ዋጋ ኣብዝሕ፡ ብመጠን ምውሓድ ዓመታት ድማ ዋጋ ኣውሕድ። 17ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ እሞ፡ ሓደ እኳ ንብጻዩ ኣይዓምጽ፡ ንኣምላኽካ ደኣ ፍራህ። 18ሕጋጋተይ ግበሩ ፍርድታተይውን ሓልዉን ግበርዎን። ኣብታ ሃገር ድማ ብህድኣት ክትነብሩ ኢኹም። 19እታ ምድሪ ኸኣ ፍሬኣ ትህብ እሞ፡ በሊዕኩም ትጸግቡ። ኣብኣውን ብህድኣት ትነብሩ። 20እንሆ፡ ኣይዘራእናን ፍረ ድማ ኣየእቶናን፡ በታ ሳብዐይቲ ዓመት ደኣ እንታይ ክንበልዕ ኢና፡ እንተ በልኩም፡ 21ሽዑ በታ ሳድሰይቲ ዓመት በረኸተይ ክእዝዘልኩም እየ፡ ንሰለስተ ዓመት ዝኸውን ፍረ ኸኣ ከተፍርየልኩም እያ። 22በታ ሳምነይቲ ዓመት ድማ ክትዘርኡ ኢኹም፡ ካብ ነባር እኽሊ ከኣ ክትበልዑ ኢኹም። ክሳዕ እታ ታስዐይቲ ዓመት፡ ፍሬኣ ኽሳዕ ዝኣቱ፡ እቲ ነባር ክትበልዑ ኢኹም። 23ምድሪ ናተይ እያ፡ ንስኻትኩም ከኣ ምሳይ እትነብሩ ጓኖት ኢኹም እሞ፡ ምድሪ ንሓዋሩ ኣይትሸየጥ። 24ኣብ ብዘላ ምድሪ ርስትኹም፡ እታ ምድሪ ብዋጋ ተበጀውዋ። 25ሓውካ እንተ ተሸገረ እሞ ካብ ርስቱ ገለ እንተሸጠ፡ እቲ ዝቐርቦ ዘመዱ መጺኡ ነቲ ሓዉ ዝሸጦ ይበጀዎ። 26ዝብጀዎ ዘመድ እንተ ዘይብሉ፡ ንሱ ግና ኢዱ እንተ መልኣሉ፡ ንምብጃው ዝኣክልውን እንተ ረኸበ፡ 27እተን እተሸጠትለን ዓመታት ይቑጸር፡ እቲ ዝተረፎ ነቲ እተሻየጠ ሂቡ፡ ናብ ርስቱ ይምለስ። 28ንመምለሲኡ ዝኣክል ኣብ ኢዱ እንተ ዘይረኸበ ግና፡ እቲ እተሸጠ ኽሳዕ ዓመት እልልታ ኣብ ኢድ ተሻያጢኡ ይጽናሕ። በታ ዓመት እልልታ ሓራ ይውጻእ፡ ንሱ ድማ ናብ ርስቱ ይመለስ። 29ሰብ ኣብ እተዓርደት ከተማ ዘላ ቤት እንተ ሸጠ፡ እታ ዝሸጠላ ዓመት ክሳዕ እትመልእ ይበጀዋ፡ ግዜ ምብጃዋ ዓመት ምሉእ ይኹን። 30ክሳዕ ምሉእ ዓመት እንተ ዘይተበጀወት ከኣ፡ እታ ኣብ እተዓርደት ከተማ ዘላ ቤት ንሓዋሩ ነቲ እተሻየጣ ንውሉድ ወለዶኡ ትኹን፡ ብዓመት እልልታ ሓራ ኣይትወጽእን። 31ኣብ ዙርያኣን ቀጽሪ ኣብ ዘይብለን ዓድታት ዘለዋ ኣባይቲ ግና ምስ ግራውቲ ሃገር ይተሓሰባ፡ በጃ ይውሃበን፡ ብዓመት እልልታ ድማ ሓራ ይውጽኣ። 32ብዛዕባ ኸተማታት ሌዋውያን ግና ነተን ኣብ ከተማታት ርስቶም ዘለዋ ኣባይቲ ኽብጀውወን፡ ንሌዋውያን ናይ ዘለኣለም ስርዓት ይኹን። 33እተን ኣብ ከተማታት ሌዋውያን ዘለዋ ኣባይቲ ኸኣ፡ ንሳተን ኣብ ማእከል ደቂ እስራኤል ርስቶም እየን እሞ፡ ሓደ ኻብ ሌዋውያን እንተ ተበጀወ፡ ሽዑ እታ እተሸጠት ቤትን እታ ናይ ርስቱ ኸተማን ብዓመት እልልታ ሓራ ይውጽኣ። 34ኣብ ዙርያ ኸተማታቶም ዘላ ግራት ግና፡ ናይ ዘለኣለም ርስቶም እያ እሞ፡ ኣይትሸየጥ። 35ሓውካ እንተ ደኸየ እሞ ምሳኻ ኸሎ ኢዱ እንተ ሓጸሮ፡ ከም ጓናን ከም ጸጋዕተኛን ምሳኻ ይንበር። 36ካብኡ ሓረጣ ወይ ረብሓ ኣይትውሰድ። ንኣምላኽካ ደኣ ፍራህ፡ ሓውካ ኸኣ ምሳኻ ይንበር። 37ገንዘብካ ብሓረጣ ኣይትሃቦ፡ እኽልኻ ኸኣ ብረብሓ ኣይትሃቦ። 38ኣምላኽ ክዀነኩምን ምድሪ ኸነኣን ክህበኩምን፡ ካብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻእኩኹም፡ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ። 39ሓውካ ድማ ምሳኻ ኸሎ እንተ ደኸየ፡ ርእሱ ኸኣ እንተ ሸጠልካ፡ ከም ባርያ ጌርካ ኣይትግዝኣዮ፡ 40ከም በዓል ዓስብን ከም ጸጋዕተኛን ምሳኻ ይንበር። ክሳዕ ዓመት እልልታ የገልግልካ። 41ሽዑ ንሱ፡ ደቁ ድማ ምስኡ፡ ካባኻ ሓራ ይውጻእ እሞ፡ ናብ ዓሌቱ ይመለስ፡ ናብ ርስቲ ኣቦታቱ ኸኣ ይመለስ። 42ካብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻእክዎም ባሮተይ እዮም እሞ፡ ባርያ ኸም ዚሽየጥ ኣይሸየጡ። 43ኣበርቲዕካ ኣይትግዝኣዮ፡ ንኣምላኽካ ደኣ ፍራህ። 44ንኣኻ ዝዀኑ ተባዕታይ ባርያን ኣንስተይቲ ባርያን ግና ኣብ ዙርያኹም ካብ ዘለዉ ህዝብታት፡ ካባታቶም ተባዕታይ ባርያን ኣንስተይቲ ባርያን ተሻየጡ። 45ካብ ደቂ እቶም ምሳኻትኩም ዝነብሩ ጓኖት፡ ካባታቶምን ኣብ ሃገርኩም ካብ እተወልዱ ዓሌቶምን ተሻየጡ፡ ጥሪት ይኹኑኹም። 46ብድሕሬኹም ድማ ንደቅኹም ከም ጥሪት ርስቲ ኣውርስዎም፡ ብኣታቶም ንዘለኣለም ክትግልገሉ ኢኹም። ብናይ ኣሕዋትኩም ደቂ እስራኤል ግና ሓደ እኳ ንሓዉ ኣበርቲዑ ኣይግዝኣዮ። 47ጓና ወይ ምሳኻ ዘሎ ጸጋዕተኛ እንተ ሃብተመ፡ ሓደ ሓውካ ኸኣ ምስኡ ኸሎ እንተ ደኸየ እሞ ንርእሱ ኣብቲ ምሳኻ ዝነብር ጓና፡ ወይ ኣብ ሓደ ኻብ ዓሌት ጓና እንተ ሸጠ፡ 48ድሕሪ ምሻጡ ይበጀውዎ፡ ሓደ ኻብ ኣሕዋቱ ይበጀዎ። 49ሓው ኣቦኡ ወይ ወዲ ሓው ኣቦኡ ይበጀዎ፡ ወይ ካብ ዓሌቱ፡ ካብ ዘመድ ስጋኡ ሓደ ይበጀዎ፡ ወይ ኣብ ኢዱ እንተ ረኸበ፡ ንርእሱ ይበጀዋ። 50ካብታ እተሸጠላ ዓመት ክሳዕ ዓመት እልልታ ምስቲ እተሻየጦ ዀይኑ ይጸብጽብ፡ እቲ ዋጋ መሸጣኡ ብመጠን ቁጽሪ ዓመታት ይኹን፡ ከም መጠን መዓልትታት ወዓላይ ምስኡ ይኹን። 51ገና ብዙሕ ዓመታት እንተሎ፡ ብእኣን መጠን ዋጋ መበጀዊኡ ኻብቲ ገንዘብ መሸጣኡ ይምለስ። 52ክሳዕ ዓመት እልልታ ቕሩብ ዓመታት ተሪፉ እንተሎ፡ ምስኡ ጸብጺቡ ኸም መጠን ዓመታቱ ዋጋ መበጀዊኡ ይምለስ። 53ከም ዓሰባ ዓመት ንዓመት ምስኡ ይኹን፡ ኣብ ቅድሚ ዓይንኻ ኣበርቲዑ ኣይግዝኣዮ። 54በዚ እንተ ዘይተበጀወ ኸኣ፡ ንሱ ደቁ ኸኣ ምስኡ ብዓመት እልልታ ሓራ ይውጽኡ። 55ደቂ እስራኤል ባሮተይ እዮም እሞ፡ ንሳቶም ካብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻእክዎም ባሮተይ እዮም። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።
ዘሌዋውያን ምዕራፍ 26
1ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ እሞ፡ ንኣኻትኩም ጣኦታት ኣይትግበሩ። እተወቕረ ምስሊ ወይ ሓወልቲ ድማ ኣይተቑሙ፡ ወይ እተሳእለ እምኒ ኽትሰግዱሉ ኢልኩም ኣብ ምድርኹም ኣይትግበሩ። 2ሰናብተይ ሓልዉ። መቕደሰይውን ፍርሁ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ። 3ብሕጋጋተይ እንተ ኸድኩም፡ ትእዛዛተይ ከኣ እንተ ሓሎኹም፡ እንተ ገበርኩምዎ ኸኣ፡ 4ኣነ ዝናምኩም ብግዜኡ እህበኩም። ምድሪ ድማ እኽላ ኽትህብ እያ፡ ኣእዋም መሮር ከኣ ፍሬአን ይህባ። 5መኼዳኹም ክሳዕ ምቕንጣብ ወይኒ ይበጽሕ፡ ምቕንጣብ ወይኒ ኸኣ ክሳዕ ዘርኢ ይበጽሕ። እንጌራኹም በሊዕኩም ትጸግቡ፡ ኣብ ምድርኹም ከኣ ሃዲእኩም ትቕመጡ። 6ኣብ ምድርኹም ድማ ሰላም ክህብ እየ፡ ንስኻትኩም ከኣ በጥ ትብሉ፡ ዘፍርሃኩምውን የልቦን፡ ሕሱማት ኣራዊት ካብታ ምድሪ ኸጥፍእ እየ፡ ሴፍ ድማ ብሃገርኩም ኣይሓልፍን። 7ጸላእትኹም ትሰጉ፡ ንሳቶም ብሴፍ ኣብ ቅድሜኹም ይወድቁ። 8ሓሙሽተ ኻባኻትኩም ንሚእቲ ይሰጒዎም፡ ሚእቲ ካባኻትኩም ንዓሰርተ ሽሕ ይሰጒዎም፡ ጸላእትኹም ብሴፍ ኣብ ቅድሜኹም ይወድቁ። 9ኣነ ገጸይ ናባኻትኩም እመልስ እሞ ከፍርየኩምን ከብዝሓኩምን እየ፡ ኪዳነይ ከኣ ምሳኻትኩም ከቕውም እየ። 10ነዊሕ እተዓቑረ ነባር እኽሊ ድማ ትበልዑ፡ ስለቲ ሓድሽ ከኣ ነቲ ዕቑር ትጒሕፍዎ። 11ማሕደረይ ድማ ኣብ ማእከልኩም ክገብር እየ፡ ነፍሰይ ከኣ ኣይትፍንፍነኩምን። 12ኣብ ማእከልኩም ድማ እኸይድ፡ ኣምላኽኩምውን እኸውን፡ ንስኻትኩም ከኣ ህዝበይ ትዀኑኒ። 13መታን ባሮቶም ከይትዀኑ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻእኩኹም፡ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ፡ ቁራብዓት ኣርዑትኩም ድማ ሰበርኩ፡ ርእስኹም ኣልዒልኩም ከም እትኸዱውን ገበርኩኹም። 14ግናኸ እንተ ዘይሰማዕኩምኒ፡ እዚ ዂሉ ትእዛዛት እዚ ኸኣ እንተ ዘይገበርኩም፡ 15ሕጋጋተይ ድማ እንተ ነዓቕኩም እሞ ኲሉ ትእዛዛተይ ከይትገብሩ፡ ነፍስኹም ፍርድታተይ እንተ ፈንፈነት፡ ኪዳነይ ከኣ እንተ ኣፍረስኩም፡ 16ኣነ ድማ እዚ ኽገብረኩም እየ፡ ኣነ መሸበርን ሕዱር ሰዓልን ኣዒንቲ ዘሕምቕ ነፍሲ ኸኣ ዘድክም ዓሶን ክሰደልኩም እየ። ጸላእትኹም ክበልዕዎ እዮም እሞ፡ ዘርእኹም ንኸንቱ ትዘርኡ። 17ገጸይ ከኣ ናብ ልዕሌኹም ክመልስ እየ፡ ኣብ ቅድሚ ጸላእትኹም ድማ ክትሰዓሩ ኢኹም። እቶም ዝጸልኡኹም ከኣ ክገዝኡኹም እዮም፡ ዝሰጐጐኩም ዘየልቦ ድማ ክትሃድሙ ኢኹም። 18በዚ ድማ ገና እንተ ዘይሰማዕኩምኒ፡ ብዛዕባ ሓጢኣትኩም ሾብዓተ ዕጽፊ ገይረ ክቐጽዓኩም እየ። 19ነቲ ትዕቢት ሓይልኹም ክሰብሮ እየ፡ ሰማይኩም ከኣ ከም ሓጺን፡ ምድርኹምውን ከም ኣስራዚ ኽገብር እየ። 20ምድርኹም እኽላ ኣይትህብን፡ ኦም ሃገር ከኣ ፍሬኣ ኣይትህብን እያ እሞ፡ ሓይልኹም ብኸንቱ ይውዳእ። 21ክትጻረሩኒ እንተ ኸድኩም፡ ክትሰምዑኒውን እንተ ዘይፈቶኹም፡ ከምቲ ሓጢኣትኩም መሊሰ ሾብዓተ ሳዕ ክወቕዓኩም እየ። 22ንደቅኹም ዝዝርፉ፡ ንማልኩምውን ዘጥፍኡ፡ ንቑጽርኹም ድማ ዘውሕዱ ኣራዊት መሮር ክሰደልኩም እየ፡ መገድኹም ከኣ ይባድም። 23በዚ ነገርዚ እንተ ዘይተቐጻዕኩምለይ፡ ግናኸ ንኣይ ብምጽራር እንተ ተመላለስኩም፡ 24ኣነ ኸኣ ንኣኻትኩም ብምጽራር እመላለስ፡ ብዛዕባ ሓጢኣትኩምውን ኣነ ሾብዓተ ዕጽፊ ገይረ እወቕዓኩም። 25ሕነ ኪዳነይ ዝፈዲ ሴፍ ድማ ኣብ ልዕሌኹም ከምጽእ እየ፡ ኣብ ከተማታትኩም ከኣ ትእከቡ፡ ናብ ማእከልኩም ድማ ፌራ እሰድድ፡ ኣብ ኢድ ጸላኢ ኸኣ ትወሃቡ። 26በትሪ እንጌራ ምስ ዝሰብረልኩም፡ ንእንጌራኹም ዓሰርተ ኣንስቲ ኣብ ሓደ እቶን ይስንክታኦ፡ እንጌራኹም ድማ ብሚዛን ይመልሳልኩም፡ በሊዕኩም ከኣ ኣይትጸግቡን። 27በዚ ነገርዚ እንተ ዘይሰማዕኩምኒ እሞ እናተጻረርኩምኒ እንተ ኸድኩም፡ 28ኣነ ድማ ብቑጥዓ እናተጻረርኩኹም እኸይድ እሞ ብዛዕባ ሓጢኣትኩም ሸብዓተ ዕጽፊ እቐጽዓኩም። 29ስጋ ኣወዳትኩም ክትበልዑ፡ ስጋ ኣዋልድኩም ከኣ ክትበልዑ ኢኹም። 30በረኽትኹም አፍርስ፡ ናይ ጸሓይ ኣዕኑድኩምውን እሰብር፡ ንሬሳኹም ድማ ናብ ልዕሊ ሬሳ ጣኦታትኩም ክድርብዮ እየ፡ ነፍሰይ ከኣ ክትፍንፍነኩም እያ። 31ንኸተማታትኩም ድማ በረኻ እገብረን፡ ንመቓድስኩምውን አፍርሰን፡ ደጊም ከኣ እቲ ጥዑም ጨና ዕጣንኩም ኣየጨንዎን። 32ነታ ሃገር ድማ ኣነ ኸባድማ እየ፡ እቶም ኣብኣ ዝነብሩ ጸላእትኹም ከኣ ብእኣ ኽድነቑ እዮም። 33ንኣኻትኩም ከኣ ኣብ ማእከል ህዝብታት ፋሕ ከብለኩም እየ፡ ደድሕሬኹም ድማ ሴፍ ክመልሕ እየ፡ ሃገርኩም ከኣ ክትባድም እያ፡ ከተማታትኩምውን በረኻ ይዀና። 34ሽዑ እታ ሃገር በቲ እትዓንወሉ ዅሉ ዘበን፡ ንስኻትኩም ድማ ኣብ ሃገር ጸላእትኹም ከሎኹም፡ ንሳ ብሰናብታ ባህ ይብላ፡ ሽዑ እታ ምድሪ ትዓርፍ፡ ብሰናብታ ኸኣ ባህ ይብላ። 35እቲ ንስኻትኩም ኣብኣ ኽትነብሩ ኸሎኹም፡ ብሰናብትኹም ዘይዓረፈት፡ በቲ እትዓንወሉ ዂሉ ዘበን ክትዓርፍ እያ። 36ነቶም ካባኻትኩም ዝተረፉ ድማ ኣብ ሃገር ጸላእቶም ከለዉ፡ ምሽባር ናብ ልቦም ከእቱ እየ፡ ደሃይ እተነቓነቐት ቈጽሊ ኸኣ የህድሞም፡ ካብ ሴፍ ከም ዝሃድም ይሃድሙ፡ ገለ ኸይሰጐጎም ከኣ ይወድቁ። 37ሓደ እኳ ኸይሰጐጎም፡ ከም ኣብ ቅድሚ ሴፍ እቲ ሓደ ኣብ ልዕሊ እቲ ሓደ ይወድቁ፡ ኣብ ቅድሚ ጸላእትኹም ከኣ ክትቈሙ ኣይትኽእሉን። 38ኣብ ማእከል ህዝብታት ትጠፍኡ፡ ምድሪ ጸላእትኹም ድማ ትውሕጠኩም። 39እቶም ካባኻትኩም ዝተረፉ ድማ ኣብ ምድሪ ጸላእትኹም ብኽፍኣቶም ይምህምኑ፡ ብኽፍኣት ኣቦታቶም ከኣ ምሳታቶም ይምህምኑ። 40በቲ ዝበደሉኒ በደሎምን፡ በቲ ዝገብርዎ ኽፍኣቶምን ክፍኣት ኣቦታቶምን ክናዘዙ እዮም። ድማ ብምምልላሶም ስለ እተጻረሩኒ፡ 41ኣነ ኸኣ ብምምልላሰይ ተጻረርክዎም፡ ናብ ምድሪ ጸላእቶም ድማ ኣእቶኽዎም። ሽዑ እቲ ዘይግዙር ልቦም እንተ ኣትሓቱ፡ ቅጽዓት ክፍኣቶምውን እንተ ተቐበሉ፡ 42ኣነ ድማ እቲ ኪዳነይ ምስ ያእቆብ እዝክር፡ ኪዳነይ ምስ ይስሃቅ ድማ፡ ኪዳነይ ምስ ኣብርሃም ከኣ እዝክር፡ ነታ ሃገርውን እዝክራ። 43ነታ ሃገር ክሓድግዋ እዮም እሞ፡ ንሳቶም ከየለዉ ዖንያ ኸላ ብሰናብታ ባህ ይብላ፡ ንሳቶም ከኣ ፍርድታተይ ስለ ዘቃለሉን፡ ነፍሳቶም ከኣ ሕጋጋተይ ስለ ዝፈንፈና፡ ቅጽዓት ሓጢኣቶም ይቕበሉ። 44እዚ ኽነሱ እኳ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኾም እየ እሞ፡ ኣብ ምድሪ ጸላእቶም ከለዉ ፈጺመ ንምጥፋኦም፡ ምሳታቶም ዝኣቶኽዎ ኪዳን ንምፍራስ ኣይድርብዮምን፡ ኣይፍንፍኖምን ድማ። 45ኣምላኾም ምእንቲ ክኸውን ኢለ፡ ካብ ምድሪ ግብጺ ኣብ ቅድሚ ህዝብታት ኣውጺአ ነቲ ምስቶም ቀዳሞት ዝኣቶኽዎ ኪዳን ክዝክር እየ፡ ኣነ እግዚኣብሄር እየ። 46እቲ እግዚኣብሄር ኣብ መንጎኡን ኣብ መንጎ ደቂ እስራኤልን ብኢድ ሙሴ ኣብ ደብረ ሲና ዝሃበ ትእዛዛትን ፍርድታትን ሕጋጋትን እዚ እዩ።
ዘሌዋውያን ምዕራፍ 27
1እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ 2ንደቂ እስራኤል ተዛረቦም በሎም ከኣ፡ ሰብ ምስ ዝመጻባዕ፡ እቶም ነፍሳት ንእግዚኣብሄር ከም ገምጋምካ ይተሓሰቡ። 3እቲ ገምጋምካ ድማ፡ ንተባዕታይ ካብ ዕስራ ዓመት ክሳዕ ወዲ ስሳ ዓመት ገምጋምካ ብሲቃል መቕደስ ሓምሳ ሲቃል ብሩር ይኹን። 4ጓል ኣንስተይቲ እንተ ዀነት ከኣ፡ ገምጋምካ ሰላሳ ሲቃል ይኹን። 5ካብ ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ክሳዕ ወዲ ዕስራ ዓመት እንተ ዀነ ድማ፡ ገምጋምካ ንተባዕታይ ዕስራ ሲቃል፡ ንጓል ኣንስተይቲ ኸኣ ዓሰርተ ሲቃል ይኹን። 6ካብ ወዲ ሓደ ወርሒ ኽሳዕ ወዲ ሓሙሽተ ዓመት እንተ ዀነ ድማ፡ ገምጋምካ ንተባዕታይ ሓሙሽተ ሲቃል ብሩር፡ ገምጋምካ ንጓል ኣንስተይቲውን ሰለስተ ሲቃል ብሩር ይኹን። 7ካብ ወዲ ስሳ ዓመት ንላዕሊ ድማ፡ ንተባዕታይ እንተ ዀነ፡ ገምጋምካ ዓሰርተው ሓሙሽተ ሲቃል፡ ንጓል ኣንስተይቲ ኸኣ ዓሰርተ ሲቃል ይኹን። 8ነቲ ገምጋምካ ዘይኽእል ድኻ እንተ ዀነ ድማ፡ ኣብ ቅድሚ ኻህን ደው የብልዎ፡ እቲ ኻህን ከኣ ይገምግሞ። እቲ ኻህን ነቲ እተመባጽዐ ኸምቲ ኣብ ኢዱ ዝረኽቦ ይገምግሞ። 9እቲ ንእግዚኣብሄር ዘቕርብዎ መስዋእቲ ኻብ እንስሳ እንተ ዀነ ኸኣ፡ ካብኡ ንእግዚኣብሄር እተዋህበ ዂሉ ቅዱስ ይኹን። 10ጽቡቕ ኣብ ክንዲ ኽፉእ ወይ ክፉእ ኣብ ክንዲ ጽቡቕ ኣይሕለፍ፡ ኣይለወጥ ድማ። እንስሳ ንእንስሳ እንተ ለወጠ ግና፡ ንሱን እቲ መላውጡን ቅዱሳት ይዀኑ። 11ካብቶም ንእግዚኣብሄር ንመስዋእቲ ዘይቕረቡ ርኹሳት ዘበሉ እንስሳ እንተ ዀነ ኸኣ፡ ነቲ እንስሳ ኣብ ቅድሚ ኻህን ደው የብሎ፡ 12ጽቡቕ እንተ ዀይኑ ወይ ክፋእ፡ እቲ ኻህን ብመጠኑ ይገምግም። ኣታ ኻህን፡ ከም ገምጋምካ ኸምኡ ይኹን። 13ክብጀዎ እንተ ደለየ ኸኣ፡ ሓምሳይ ኢድ እቲ ገምጋምካ ይወስኸሉ። 14ሰብ ቤቱ ንእግዚኣብሄር ቅድስቲ ኽትከውን እንተ ቐደሳ ድማ፡ ብመጠን ምጽባቓ ወይ ምሕማቓ እቲ ኻህን ይገምግማ። ከምቲ ኻህን ዝገምገማ ኸምኡ ይቑም። 15እቲ ንቤቱ ዝቐደሳ ኽብጀዋ እንተ ደለየ፡ ነቲ ዝገምገምካዮ ብሩርስ ሓምሳይ ኢድ ይወስኸሉ እሞ ናቱ ትኹን። 16ሰብ ካብ ግራት ርስቱ ገለ ንእግዚኣብሄር እንተ ቐደሰ፡ እቲ ገምጋምካ ኸም መጠን ዘርኣ ይኹን፡ ሆሜር ስገም ዘዝርእ ሓምሳ ሲቃል ብሩር ይተሓሰብ። 17ነታ ግራቱ ኻብ ዓመት እልልታ ጀሚሩ እንተ ቐደሳ፡ ከምቲ ገምጋምካ ይቑም። 18ንግራቱ ድሕሪ ዓመት እልልታ እንተ ቐደሳ ኸኣ፡ እቲ ኻህን ብፍቕዲ እተን ክሳዕ ዓመት እልልታ ተሪፈን ዘለዋ ዓመታት ዋጋኣ ይሕሰበሉ፡ ካብቲ ገምጋምካ ኸኣ ይጒደል። 19እቲ ግራቱ ዝቐደሰ ኽብጀዋ እንተ ደለየ ድማ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝገምገምካዮ ዋጋኣ ሓምሳይ ኢድ ይወስኽ፡ ኣብኡ ኸኣ ትቑም። 20ነታ ግራት ክብጀዋ እንተ ዘይደለየ፡ ወይ ነታ ግራት ናብ ካልእ ሰብ እንተ ሸጣ፡ ድሕሪ እቲ ኽብጀዋ ኣይከኣሎን እዩ። 21ብዓመት እልልታ ምስ ወጸት ግና፡ ከም እተሓርመት ግራት ንእግዚኣብሄር ትቀደስ እሞ ርስቲ ኻህን ትኹን። 22ካብ ግራት ርስቱ ዘይኰነት እተሻየጣ ግራት ንእግዚኣብሄር እንተ ቐደሰ ድማ፡ 23ሽዑ እቲ ኻህን ነቲ ዋጋ ገምጋምካ ኽሳዕ ዓመት እልልታ ይሕሰበሉ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ እቲ ዋጋ ገምጋምካ ንእግዚኣብሄር ከም እተቐደሰ ገይሩ ይሃብ። 24ብዓመት እልልታ ግና እታ ግራት ናብቲ ሸያጢኣ፡ ናብቲ እታ ምድሪ ርስቱ ዝነበረት ትመለስ። 25ኲሉ ገምጋምካ ብሲቃል መቕደስ ይኹን፡ እታ ሲቃል ድማ ዕስራ ጌራ ትኹን። 26በዂሪ እንስሳ ግና፡ በዂሪ ምዃኑ ናይ እግዚኣብሄር ዝዀነ፡ ብዕራይ ኰነ በጊዕ ኰነ፡ ሰብ ክቕድሶ ኣይከኣልን። ናይ እግዚኣብሄር እዩ። 27ካብ ርኹስ እንስሳ እንተ ዀነ ግና፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ገምጋምካ ሓምሳይ ኢድ ወሲኹ ይበጀዎ። እንተ ዘይተበጀወ፡ በቲ ገምጋምካ ይሸየጥ። 28ሰብ ንእግዚኣብሄር ዝሓረሞ ዂሉ ሕሩም ነገር ካብ ዝዀነ ገንዘቡ፡ ሰብ ኰነ እንስሳ ዀነ ወይ ግራት ርስቱ ዝዀነት፡ ኣይሸየጥ ኣይበጀዎ ድማ። እተሓርመ ዘበለ፡ ንሱ ንእግዚኣብሄር ቅዱስ ቅዱሳን እዩ። 29እተሓርመ ዘበለ ሕሩም ሰብ ሞት ይሙት እምበር፡ ኣይበጀዎ። 30ኲሉ ዕሽር ምድሪ ድማ፡ ካብ ዘርኢ ምድሪ ዀነ፡ ካብ ፍረ ኦም ኰነ፡ ንሱ ናይ እግዚኣብሄር እዩ፡ ንእግዚኣብሄር እተቐደሰ እዩ። 31ሰብ ካብቲ ዕሽሩ ኽብጆ እንተ ደለየ፡ ኣብ ልዕሊኡ ሕምሻኡ ይወስኸሉ። 32ዕሽር ኲሉ ኣሓን ጤለ በጊዕን፡ ዕሽር እቲ ብትሕቲ በትሪ ዝሓልፍ ኲሉ፡ ንእግዚኣብሄር እተቐደሰ ይኹን። 33ጽቡቕ ምዃኑ ወይ ክፉእ ኣይመርምር ኣይለውጥ ድማ፡ እንተ ለወጠ ግና፡ ንሱን እቲ መላውጡን ቅዱሳት ይኹኑ፡ ኣይበጀዎ ኸኣ። 34እቲ እግዚብሄር ንደቂ እስራኤል ኢሉ ኣብ ከረን ሲና ንሙሴ ዝኣዘዞ ትእዛዛት እዚ እዩ።
Leave a Reply