2ይ መጽሓፍ ሳሙኤል

1  2  3  4   6  7  8  9
10  11  12 13  14  15
16  17  18  19  20  21
22  23  24

         2ይ ሳሙኤል  ምዕራፍ 1

   1ኰነ ድማ፡ ድሕሪ ሞት ሳኦል ዳዊት ንኣማሌቃውያን ስዒሩ ተመሊሱ ኣብ ጺቅላግ ክልተ መዓልቲ ምስ ገበረ። 2ኣብታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኸኣ ኰነ፡ እንሆ፡ ካብ ሰፈር ሳኦል ሓደ ሰብኣይ ክዳኑ ቐዲዱ ሓመድውን ኣብ ርእሱ ነስኒሱ መጸ። ኰነ ድማ፡ ናብ ዳዊት ምስ መጸ፡ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ፍግም በለ። 3ዳዊት ከኣ፡ ካበይ መጺእካ ኢኻ፡ በሎ። ንሱ ድማ፡ ካብ ሰፈር እስራኤል ዘምለጥኩ እየ፡ በሎ። 4ዳዊት ድማ፡ እቲ ነገር ከመይ ኰነ፡ በጃኻ ንገረኒ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ እቲ ህዝቢ ኻብቲ ውግእ ሃዲሙ፡ ካብቲ ህዝቢ ድማ ብዙሓት ወደቑን ሞቱን፡ ሳኦልን ዮናታን ወዱን ከኣ ሞይቶም፡ በለ። 5ሽዑ ዳዊት ነቲ ዝነገሮ መንእሰይ፡ ሳኦልን ዮናታን ወዱን ከም ዝሞቱ ኸኣ ኸመይ ኢልካ ፈለጥካ፡ በሎ። 6እቲ ዝነገሮ መንእሰይ ከኣ በለ፡ ብገርሄይ ናብ ከረን ጊልቦዓ መጻእኩ፡ እንሆ ኸኣ፡ ሰረገላታትን ፈረሰኛታትን ኣርከብዎ። 7ንድሕሪኡ ግልጽ ኢሉ ርእዩኒ ኸኣ ጸውዓኒ። ኣነ ድማ፡ እኔኹ በልኩ። 8ንሱ ኸኣ፡ መን ኢኻ ንስኻ፡ በለኒ። ኣነ ድማ፡ ኣማሌቃዊ እየ፡ በልክዎ። 9ንሱ ኸኣ፡ ገና ህይው ከሎኹ ጨኒቑኒ ኣሎ እሞ፡ በጃኻ ናባይ ቀሪብካ ቕተለኒ፡ በለኒ። 10ኣነ ኸኣ፡ ምስ ወደቐ ኸም ዘይድሕን ፈሊጠ፡ ኣብ ልዕሊኡ ደው ኢለ ቐተልክዎ። እቲ ኣብ ርእሱ ዝነበረ ዘውድን ኣብ ቅልጽሙ ዝነበረ ቢታን ድማ ወሰድኩ፡ እንሆ ኸኣ፡ ናብ ጐይታይ ኣምጻእክዎ። 11ሽዑ ዳዊት፡ ክዳውንቱ ሒዙ ቐደደ፡ እቶም ምስኡ ዝነበረ ዂሎም ሰባትውን ከምኡ ገበሩ። 12ንሳኦልን ንወዱ ዮናታንን ንህዝቢ እግዚኣብሄርን ንቤት እስራኤልን፡ ብሴፍ ወዲቖም ነበሩ እሞ፡ ሓዘኑሎምን በኸዩሎምን፡ ክሳዕ ምሸትውን ጾሙ። 13ዳዊት ድማ ነቲ ዝነገሮ መንእሰይ፡ ኣታ፡ ካበይ ኢኻ፡ በሎ። ንሱ ከኣ፡ ኣነ ወዲ ጓና ኣማሌቃዊ እየ፡ በለ። 14ዳዊት ድማ፡ ነቲ ቕቡእ እግዚኣብሄር ንምቕታል ኢድካ ኽትዝርግሕሲ ኸመይ ዘይፈራህካ፡ በሎ። 15ሽዑ ዳዊት ንሓደ ኻብቶም ገላዉኡ ጸዊዑ፡ ቅረብ እሞ ውደቆ፡ በለ። ንሱ ወቕዖ፡ ሞተ ኸኣ። 16ዳዊት ድማ፡ ነቲ ቕቡእ እግዚኣብሄር፡ ኣነ ቐቲለዮ፡ ኢላ ኣፍካ መስኪራትልካ እያ እሞ፡ ደምካ ኣብ ርእስካ እዩ፡ በሎ። 17ዳዊት ድማ ብዛዕባ ሳኦልን ብዛዕባ ዮናታን ወዱን እዚ ልቕሶታት እዚ ኣልቀሰሎም። 18ንደቂ ይሁዳ ኸኣ ደርፊ ቐስቲ ኽምህርዎም ኣዘዘ። እንሆ፡ እዚ ኣብቲ መጽሓፍ ጻድቕ ተጽሒፉ ኣሎ።
19ዎ እስራኤል፡ እቲ ኽብረትካ ኣብ በረኽትኻ ተወግኣ፡
እቶም ጀጋኑኸ ኸመይ ኢሎም ወደቑ።
20ኣዋልድ ፍልስጥኤማውያን ከይሕጐሳ፡
ኣዋልድ እቶም ዘይግዙራት ባህ ከይብለንሲ፡
እዚ ኣብ ጋት ኣይትንገሩ፡
ኣብ ኣደባባያት ኣስቃሎንውን ኣይተውርዮ።
21ኣቱም ኣኽራን ጊልቦዓ፡
ዋልታ እቶም ጀጋኑ፡
ዋልታ ሳኦል ብዘይቲ ኸም ዘይተቐብኣ፡
ኣብኡ ተደርብዩ እዩ እሞ፡
ኣውልን ዝናምን ኣይውረድኩም፡
ኣባኹም ከኣ ናይ ዝለዓል መስዋእቲ ግርሁ ኣይኹን።
22ቀስቲ ዮናታን ካብ ደም እቶም ውጉኣት፡
ካብ ስብሒ እቶም ጀጋኑ ንድሕሪት ኣይተመልሰን፡
ሴፍ ሳኦልውን ጥራዩ ኣይተመልሰን።
23ሳኦልን ዮናታንን ብህይወቶም፡
ፍቑራትን ልጉባትን ነበሩ፡
ብሞቶምውን ኣይተፋለዩን፡
ካብ ንስሪ ዝቕልጥፉ፡
ካብ ኣንበሳ ዝሕይሉ ነበሩ።
24ኣትን ኣዋልድ እስራኤል፡
ነቲ ዘሐጒስ ቀይሕ ግምጃ ዘልበሰክን፡
ክዳውንትኽንውን ወርቂ ዝሰለመ፡ ንሳኦል ብኸያሉ።
25እዞም ጀጋኑ ኸመይ ኢሎም ኣብ ማእከል ውግእ ወደቑ።
ዮናታን ኣብ በረኽትኻ ሞተ።
26ዎ ዮናታን ሓወይ፡
ብዙሕ እፈትወካ ነይረ እየ እሞ፡
ብኣኻ እጭነቕ ኣሎኹ።
እቲ ንኣይ ምፍቃርካ ዘገርም ነበረ፡
ካብ ፍቕሪ ኣንስቲ ይሓልፍ ነበረ።
27እዞም ጀጋኑኸ ኸመይ ኢሎም ወደቑ።
ኣጽዋር ውግእውን ከመይ ኢሎም ጠፍኡ።

         2ይ ሳሙኤል  ምዕራፍ 2            

   1ኰነ ከኣ፡ ድሕርዚ ዳዊት፡ ካብ ከተማታት ይሁዳ ናብ ሓንቲዶ ኽድይብ፡ ኢሉ ንእግዚኣብሄር ጠየቖ። እግዚኣብሄር ድማ፡ ደይብ፡ በሎ። ዳዊት ከኣ፡ ናብ ኣየነይቲ ኽድይብ በለ። ንሱ ኸኣ፡ ናብ ኬብሮን፡ በለ። 2ሽዑ ዳዊትን ክልቲ ኤን ኣንስቱ፡ ኣሒኖዓም ብዓልቲ ይዝርኤልን ኣቢጋይል፡ ሰበይቲ ናባል ብዓል ቄርሜሎስን፡ ኰይኖም ናብኣ ደየቡ። 3ዳዊት ድማ ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰቡ፡ ነፍሲ ወከፍ መምስ ስድራ ቤቱ፡ ኣደየቦም፡ ኣብ ከተማታት ኬብሮን ከኣ ተቐመጡ። 4ሰብ ይሁዳ ድማ መጺኦም ንዳዊት ኣብ ልዕሊ ቤት ይሁዳ ኽነግስ ኣብኣ ቐብእዎ። ሽዑ፡ ንሳኦል ዝቐበርዎ ሰብ ያቤሽ-ጊልዓድ እዮም፡ ኢሎም ንዳዊት ነገርዎ። 5ዳዊት ድማ ናብ ሰብ ያቤሽ-ጊልዓድ ልኡኻት ሰዲዱ በሎም፡ ንጐይታኹም ንሳኦል ብምቕባርኩም እዚ ምሕረት እዚ ስለ ዝገበርኩምሉ፡ ብእግዚኣብሄር ብሩኻት ኢኹም። 6ሕጂ ኸኣ እግዚኣብሄር ምሳኻትኩም ምሕረትን እምነትን ይግበር። ኣነ ድማ ስለ እዚ ዝገበርኩምዎ ነገር ጽቡቕ ክገብረልኩም እየ። 7ሕጂ ኸኣ፡ ጐይታኹም ሳኦል ሞይቱ እዩ፡ ግናኸ ንኣይ ቤት ይሁዳ፡ ንጉሶም ክኸውን፡ ቀቢኦምኒ እዮም፡ እምበርኣርሲ ኣእዳውኩም ኣጽንዑ፡ ሓያላት ድማ ኹኑ።
   8ኣብኔር ወዲ ኔር እቲ ሓለቓ ሰራዊት ሳኦል ግና ንኢሽ-ቦሸት ወዲ ሳኦል ወሲዱ፡ ናብ ማሓናዪም ኣሳገሮ፡ 9ኣብ ልዕሊ ጊልዓድን ኣብ ልዕሊ ኣሹራውያንን ኣብ ልዕሊ ይዝርኤልን ኣብ ልዕሊ ኤፍሬምን ኣብ ልዕሊ ብንያምን ኣብ ልዕሊ ዂሎም እስራኤልን ድማ ኣንገሶ። 10ኢሽበሸት ወዲ ሳኦል ኣብ ልዕሊ እስራኤል ከነግስ ከሎ፡ ወዲ ኣርብዓ ዓመት ነበረ። ክልተ ዓመት ከኣ ነገሰ። ቤት ይሁዳ ጥራይ ደድሕሪ ድዊት ሰዓበት። 11እቲ ዳዊት ኣብ ልዕሊ ቤት ይሁዳ ኣብ ኬብሮን ዝነገሰሉ ዘበን ሾብዓተ ዓመትን ሹድሽተ ወርሕን ወርሕን እዩ።
   12ኣብኔር ወዲ ኔርን ገላዉ ኢሽ-ቦሸት ወዲ ሳኦልን ድማ ካብ ማሓናዪም ናብ ጊብዖን ወጹ። 13ዮኣብ ወዲ ጽሩያን ገላዉ ዳዊትን ከኣ ወጺኦም ኣብ ቀላይ ጊብዖን ንሓድሕዶም ተራኸቡ። እዚኣቶም ነቲ ቐላይ በዚ ሓደ ወገኑ፡ እቲኣቶም ከኣ ነቲ ቐላይ በቲ ሓደ ወገኑ ተቐመጡ። 14ሽዑ ኣብኔር ንዮኣብ፡ በጃኻ እዞም መንእሰይ ይተንስኡ እሞ፡ ኣብ ቅድሜና ይጻወቱ፡ በሎ። ዮኣብ ከኣ፡ ይተንስኡ፡ በለ። 15ሽዑ ተንሲኦም ብቑጽሪ ናይ ብንያምን ናይ ኢሽ-ቦሸት ወዲ ሳኦልን ዓሰርተው ክልተ ሓለፋ። 16ነፍሲ ወከፍ ርእሲ ብጻዩ ኣጽኒዑ ሒዙ ሴፍ ኣብ ጐድኒ ብጻዩ ሸኸተ፡ ተተሓሒዞም ከኣ ብሓደ ወደቑ። ስለዚ እታ ቦታ ሔልቃት-ሃጹሪም ተባህለት፡ ንሳ ኣብ ጊብዖን እያ ዘላ። 17በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ እቲ ውግእ ኣዝዩ በርትዐ፡ ኣብኔርን እቶም ሰብ እስራኤልን ከኣ ኣብ ቅድሚ ገላዉ ዳዊት ተሳዕሩ። 18ኣብኡ ድማ ሰለስቲኦም ደቂ ጽሩያ ዮኣብን ኣቢሻይን ዓሳሄልን ነበሩ። ዓሳኤል ከኣ ከምታ ኣብ መሮር ዘላ ሶስሓ እግሩ ፈኲሽ ነበረ። 19ዓሳሄል ድማ ደድሕሪ ኣብኔር ሰዓበ፡ ደድሕሪ ኣቤር ንምሶኣብ ከኸይድ ከሎ ኸኣ ንየማን ወይ ንጸጋም ኣየግለሰን። 20ሽዑ ኣብኔር ገጹ መሊሱ፡ ንስኻ ዓሳሄል ዲኻ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ኣነ እየ፡ በለ። 21ኣብኔር ድማ፡ ንየማንካ ወይ ንጸጋምካ ኣቢልካ ኣግልስ እሞ፡ ንሓደ መንእሰይ ሒዝካስ ኣጽዋሩ ውሰድ፡ በሎ። ዓሳሄል ግና ደድሕሪኡ ኻብ ምስዓብ ከግልስ ኣይፈተወን። 22ኣብኔር ድማ ከም ብሓድሽ ንዓሳኤል፡ ካብ ምስዓበይ ኣግልስ፡ ስለምንታይ ናብ ምድሪ ዘጣብቐካ፡ ደሓርከ ኸመይ ገይረ ገጸይ ናብ ሓውካ ዮኣብ ከልዕል እየ፡ በሎ። 23ንሱ ግና ምግላስ ኣበየ። ሽዑ ኣብኔር ብሓንካሾ ዂናት ከብዱ ወግኦ እሞ፡ እቲ ዂናት ከብዱ ወግኦ እሞ፡ እቲ ዂናት ብድሕሪኡ ወጸ፡ ኣብኡ ወዲቑ ኸኣ ሞተ። ኰነ ድማ፡ ናብታ ዓሳሄል ወዲቑ ዝሞተላ ቦታ ዝመጸ ዘበለ ኣብኣ ደው ይብል ነበረ። 24ዮኣብን ኣቢሻይን ግና ንኣብኔር ሰጐጒዎ። ኣብታ ኣብ መገዲ በረኻ ጊብዖን፡ ኣብ መንጽር ጊያሕ ዘላ ዂርባ ኣማ ምስ በጽሑ፡ ጸሓይ ዓረበት።
   25ደቂ ብንያም ከኣ ደድሕሪ ኣብኔር ተኣኪቦም፡ ሓደ ጭፍራ ዀይኖም፡ ኣብ ርእሲ ሓንቲ ዂርባ ደው በሉ። 26ሽዑ ኣብኔር ንዮኣብ ጸዊዑ፡ ኣታ፡ ሴፍዶ ንሓዋሩ ኽውሕጥ እዩ፡ ንዳሕራዩ መሪር ከም ዝኸውንከ ኣይትፈልጥን ዲኻ፡ ነቶም ህዝቢ ኻብ ምስጓጒ ኣሕዋቶም ከምለሱ ዘይትእዝዝከ፡ ክሳዕ መኣዝ ኢኻ፡ በሎ። 27ዮኣብ ከኣ፡ ህያው ኣምላኽ እዩ፡ ንስኻ እንተ ዘይትዛረብሲ፡ እዚ ህዝቢ፡ ነፍሲ ወከፍ ካብ ምስጓጒ ሓዉ ቕድሚ ጽባሕ ንግሆ ኣይምተመልሰን፡ በለ። 28ሽዑ ዮኣብ መለኸት ነፍሐ፡ ኲሉ ህዝቢ ድማ ደው በለ፡ ድሕርዚ ኸኣ ንእስራኤል ኣይሰጐጐን፡ መሊሶምውን ኣይተዋግኡን። 29ኣብኔርን እቶም ሰቡን ድማ እታ ለይቲ እቲኣ ብመልኣ ብጐልጐል ክይድ ሓዲሮም ዮርዳኖስ ተሳገሩ፡ ንብዘላ ቢትሮን ሓሊፎም ድማ ናብ መሓናይም ኣተዉ። 30ዮኣብ ከኣ ንኣብኔር ካብ ምስጓጒ ተመልሰ፡ ንዂሉ ህዝቢ ምስ ኣከቦ ድማ፡ ክብ ገላዉ ዳዊት ዓሰርተው ትሽዓተ ሰብኣይን ዓሳሄልን ጐደሉ። 31እቶም ገላዉ ዳዊት ግና ካብ ብንያምን ካብ ናይ ኣብኔር ሰባትን ሰለስተ ሚእትን ስሳን ቀተሉ። 32ንዓሳሄል ከኣ ወሲዶም ኣብቲ ኣብ ቤት-ልሄም ዘሎ መቓብር ኣቦኡ ቐበርዎ። ዮኣብን እቶም ሰቡን ድማ ምሉእ ለይቲ ኽይድ ሓዲሮም፡ ኣብ ኬብሮን ወግሓሎም።

        2ይ ሳሙኤል  ምዕራፍ 3    

   1እቲ ውግእ ድማ ኣብ መንጎ ቤት ሳኦልን ኣብ መንጎ ቤት ዳዊትን ነዊሕ ኰነ። ዳዊት ከኣ እናበርትዐ ኸደ፡ ቤት ሳኦል ግና እናደኸመት ከደት።
   2ንዳዊት ድማ ኣብ ኬብሮን ኣወዳት ተወልዱሉ። እቲ በዂሩ ኸኣ ካብ ኣሒኖዓም ብዓልቲ ይዝርኤል እተወልደ ኣምኖን እዩ። 3እቲ ኻልኣዩውን ካብ ኣቢጋይል፡ ሰበይቲ ናባል ብዓል ቀርሜሎስ፡ እተወልደ ኪልኣብ እዩ። እቲ ሳልሳይ ከኣ ኣቤሴሎም፡ ወዲ ማዓካ ጓል ታልማይ፡ ንጉስ ጌሹር፡ እዩ። 4እቲ ራብዓይ ድማ ኣዶንያ ወዲ ሓጊት እዩ። እቲ ሓምሳይ ከኣ ሸፋጥያ ወዲ ኣቢጣል እዩ። 5እቲ ሳድሳይ ድማ ካብ ዔግላ ሰበይቲ ዳዊት እተወልደ ዪትርዓም እዩ። እዚኣቶም ንዳዊት ኣብ ኬብሮን ተወልዱሉ።
   6ኰነ ድማ፡ እቲ ውግእ ኣብ መንጎ ቤት ሳኦልን ኣብ መንጎ ቤት ዳዊትን ከሎ፡ ኣብኔር ኣብ ቤት ሳኦል ሰልጢኑ ነበረ። 7ሳኦል ከኣ ርጽጳ ዝስማ ጓል ኣያ፡ ሰበይቲ ወሰን ነበረቶ። ኢሽ-ቦሸት ድማ ንኣብኔር፡ ስለምንታይ ኢኻ ናብታ ሰበይቲ ወሰን ኣቦይ ዝኣቶኻ፡ በሎ። 8ሽዑ ኣብኔር በቲ ዘረባ ኢሽ-ቦሸት ኣዝዩ ተናዲዱ በለ፡ ኣነስ ናይ ይሁዳ ርእሲ ኸልቢ ድየ፡ ሎሚ ንቤት ኣቦኻ ሳኦልን ነሕዋቱን ንፈተውቱን ምሕረት እገብር ኣሎኹ፡ ኣብ ኢድ ዳዊት ከኣ ኣሕሊፈ ኣይሃብኩኻን፡ ንስካ ግና ሊሚ ብዛዕባ እዛ ሰበይቲ እዚኣ በደል ቈጸርካለይ። 9-10ከምቲ እግዚኣብሄር ንዳዊት ዝመሓለሉ፡ እታ መንግስቲ ኻብ ቤት ሳኦል ከም እትሓልፍ፡ ዝፋን ዳዊት ከኣ ኣብ ልዕሊ እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ይሁዳን ካብ ዳን ክሳዕ ብኤር-ሸባዕ ከም ዝቐውም፡ እንተ ዘይገይረ፡ ኣምላኽ ንኣብኔር ከምዚ ይግበሮ፡ ከምዚውን ይወስኮ። 11ሽዑ ንኣብኔር ስለ ዝፈርሆ፡ ሓንቲ እኳ ኽዛረቦ ኣይከኣለን።
   12ሽዑ ኣብኔር ናብ ዳዊት ልኡካት ሰዲዱ፡ እዛ ሃገር ንመን እያ፡ በለ። ኪዳንካ ግዳ እተወለይ፡ እንሆ ኸኣ፡ ብዘለዉ እስራኣኤል ናባኻ ንምምላስ ኢደይ ምሳኻ እያ፡ ከኣ በለ። 13ንሱ ድማ፡ ጽቡቕ፡ ኣነ ምሳኻ ኪዳን እኣቱ፡ ሓደ ነገር ግዳ ኻባኻ እደሊ ኣሎኹ፡ ንሱ ኸኣ ገጸይ ክትርኢ ምስ እትመጽእ፡ ቅድም ንሚካል ጓል ሳኦል እንተ ዘየምጻእካ፡ ገጸይ ኣይትርእን ኢኻ፡ በለ። 14ዳዊት ድማ ናብ ኢሽ-ቦሸት ወዲ ሳኦል ልኡኻት ሰዲዱ፡ እታ ብሚእቲ ዕልቦ ፍልስጥኤማውያን ዘሕጼኽዋ ሰበይተይ ሚካል ምለሰለይ፡ በሎ። 15ኢሽ-ቦሸት ከኣ ልኢኹ ኻብ ሰብኣያ፡ ካብ ጳልጢኤል ወዲ ላዪሽ፡ ወሰዳ። 16እቲ ሰብኣያ ግና ምስኣ ኸደ፡ ከኸይድ ከሎ እናበኸየ ኽሳዕ ባሑሪም ሰዓባ። ሽዑ ኣብኔር፡ ኪድ፡ ተመለስ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ ተመልሰ።
   17ኣብኔር ድማ ንዓበይቲ እስራኤል፡ ዳዊት ኣብ ልዕሌኹም ንጉስ ከኸውን ካብ ቀደም ደሊኹምዎ ኔርኩም ኢኹም። 18እግዚኣብሄርውን ብዛዕባ ዳዊት፡ ንህዝበይ እስራኤል ካብ ኢድ ፍልስጥኤማውያንን ካብ ኢድ ኲሎም ጸላእቶምን ብኢድ ዳዊት ባርያይ ከድሕኖም እየ፡ ኢሉ ተዛሪቡ ነይሩ እዩ እሞ፡ እምበኣር ሕጂ ግበርዎ፡ ኢሉ ተዛረቦም። 19ኣብ እዝኒ ብንያምውን ኣብኔር ተዛረበ። ኣብኔር ድማ እቲ ንእስራኤልን ንብዘላ ቤት ብንያምን ጽቡቕ ኰይኑ እተራእዮም ኲሉ ኣብ እዝኒ ዳዊት ከዛረብ ናብ ኬብሮን ከደ። 20ኣብኔር ምስኡ ኸኣ ዕስራ ሰብ ናብ ዳዊት ናብ ኬብሮን መጹ። ዳዊት ድማ ንኣብኔርን ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰብን ምሳሕ ገበረሎም። 21ኣብኔር ድማ ንዳዊት፡ ምሳኻ ኪዳን ምእንቲ ኽኣትዉስ፡ ንዂሎም እስራኤል ናብ ጐይታይ ንጉስ ክእክቦም፡ ተንሲአ ክኸይድ፡ ሽዑ ኸምቲ ነፍስካ ዝደለየቶ ዂሉ ጌርካ ትነግስ፡ በሎ። ዳዊት ከኣ ንኣብኔር ሰደዶ፡ ብሰላም ድማ ኸደ።
   22እንሆ ኸኣ፡ ገላዉ ዳዊትን ዮኣብን ካብ ወራር መጹ፡ ምሰታቶም ድማ ብዙሕ ምርኮ ኣእተዉ። ኣብኔር ግና፡ ዳዊት ኣፋንይዎ ብሰላም ስለ ዝኸደ፡ ኣብ ኬብሮን ምስኡ ኣይነበረን። 23ዮኣብን ምስኡ ዝነበረ ዂሉ ሰራዊትን ምስ ኣተዉ ኸኣ፡ ኣብኔር ወዲ ኔር ናብ ንጉስ መጺኡ ነይሩ፡ ንሱ ኸኣ ኣፋንይዎስ፡ ብሰላም ከይዱ፡ ኢሎም ንዮኣብ ነገርዎ። 24ሽዑ ዮኣብ ናብ ንጉስ ኣትዩ፡ እንታይ እዩ ዝገበርካዮ፡ እንሆ፡ ኣብኔር መጺኡካ ኸሎስ፡ ስለምንታይ ኢኻ ፈጺሙ ከኸይድ ዝሓደግካዮ፡ 25ኣብኔር ወዲ ኔር ባዕልኻዶ ትፈልጦ ኣይኰንካን፡ ንሱ ኽዐሽወካን ምውጻእካን ምእታውካን ድማ ከፈልጥን፡ ንስካ እትገብሮ ዅሉውን ከፈልጥ ከም ዝመጸ፡ ትፈልጥ ኣሎኻ፡ በሎ። 26ዮኣብ ካብ ዳዊት ምስ ወጸ ድማ፡ ደድሕሪ ኣብኔር ልኡኻት ሰደደ፡ ካብ ሓጽቢ ሲራ ኸኣ መለስዎ። ዳዊት ግና ኣይፈለጠን። 27ኣብኔር ናብ ኬብሮን ምስ ተመልሰ ኸኣ፡ ዮኣብ ኣብ በይኑ ኽዛረቦ ኢሉ ናብ ማእከል ደገ ኣግለሶ፡ ኣብኡ ድማ ብዛዕባ ደም ሓዉ ዓሳሄል ከብዱ ወግኦ፡ ሞተ ኸኣ። 28ድሕርዚ ኸኣ ዳዊት እዚ ሰምዐ እሞ፡ ኣነን መንግስተይን ካብ ደም ኣብኔር ወዲ ኔር ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ንጹሃን ኢና። 29እዚ ኣብ ልዕሊ ርእሲ ዮኣብን ኣብ ልዕሊ ብዘላ ቤት ኣቦኡን ይውደቕ፡ ኣብ ቤት ዮኣብ ድማ ጀጋል ወይ ለምጻም ወይ ምርኩስ ዝምርኰስ ወይ ብሴፍ ዝወድቕ ወይ እንጌራ ዝጐድሎ ኣየቛርጽ፡ በለ። 30ኣብኔር ንሓዎም ዓሳሄል ኣብ ጊብዖን ኣብቲ ውግእ ስለ ዝቐተሎ፡ ዮኣብን ኣቢሳይ ሓዉን ከኣ ንኣብኔር ቀተልዎ።
   31ዳዊት ድማ ንዮኣብን ነቲ ምስኡ ዝነበረ ዂሉ ህዝብን፡ ክዳውንትኹም ቅደዱ፡ ከሊውን ተኸደኑ፡ ቀቅድሚ ኣብኔር ከኣ ብኸዩ፡ በሎም። ንጉስ ዳዊት ድማ ደድሕሪ እቲ ቓሬዛ ይኸይድ ነበረ። 32ንኣብኔር ከኣ ኣብ ኬብሮን ቀበርዎ፡ ንጉስ ድማ ኣብቲ መቓብር ኣብኔር ድምጹ ዓው ኣቢሉ በኸየ፡ ኲሎም ህዝቢውን በኸዩ።
   33ንጉስ ድማ ንኣብኔር፡ ከምዚ ኢሉ ኣልቀሰሉ፡ ኣብኔርውንንዶ ኣማውታ ዓሻ ይመውት፡ 34ኣእዳውካ እሱራት ኣይነበራን፡ ኣእጋርካውን ብመቑሕ ኣይተቓቐራን፡ ከምቲ ኣብ ቅድሚ ዓመጽቲ ዝወድቕ ወደቕኻ።
   ብዘለዉ እቶም ህዝቢ ኸኣ በኸዩሉ።
   35እቶም ህዝቢ ዂሎም ከኣ ንዳዊት ገና መዓልቲ ኸሎ እንጌራ ኸብልዕዎ መጹ፡ ዳዊት ግና፡ ጸሓይ ከይዓረበት እንጌራ ዀነ ወይ ዝዀነ ዂሉ እንተ ጠዓምኩ፡ ኣምላኽ ከምዚ ይግበረኒ፡ ከምዚውን ይድገመኒ፡ ኢሉ መሓለ። 36ኲሎም እቶም ህዝቢ ኸኣ እዚ ምስ ፈለጡ፡ ጽቡቕ ኰይኑ ተራእዮም። ኲሎም እቶም ህዝቢ ኸምቲ ንጉስ ዝገበሮ ዂሉ ጽቡቕ ኰይኑ ተራእዮም። 37እቲ ምቕታል ኣብኔር ወዲ ኔር ካብ ንጉስ ከም ዘይኰነ፡ ብዘሎ እቲ ህዝብን ብዘሎ እስራኤልን በታ መዓልቲ እቲኣ ፈለጡ። 38ንጉስ ድማ ነቶም ገላዉኡ፡ ሎሚ መዓልቲ ኣብ እስራኤል መስፍንን ዓብዪ ሰብን ከም ዝወደቐዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፡ 39ኣነ ኸኣ፡ ምንም እኳ ንጉስ ክኸውን እንተ ተቐባእኩ፡ ድኹም እየ፡ እዞም ሰባት እዚኦም ደቂ ጽሩያ ድማ በርቲዖምኒ እዮም። ነቲ ኽፉእ ዝገብርሲ፡ እግዚኣብሄር ደኣ ኸምቲ ኽፍኣቱ ይፍደዮ፡ በሎም።

         2ይ ሳሙኤል  ምዕራፍ 4            

   1ወዲ ሳኦል ድማ ኣብኔር ኣብ ኬብሮን ከም ዝሞተ ምስ ሰምዐ፡ ኣእዳዉ ዘርጋሕ በለ፡ ብዘለዉ እስራኤል ከኣ ሰምበዱ። 2ንወዲ ሳኦል ድማ ክልተ ሰብ፡ ሓላቑ ሰራዊት ነበርዎ፡ ስም እቲ ሓደ ባዓና፡ ስም እቲ ኻልኣይ ከኣ ሬካብ፡ ደቂ ሪሞን ብኤሮታዊ፡ ካብ ደቂ ብንያም እዮም። ብኤሮትሲ ናብ ብንያም እያ እትቑጸር። 3እቶም ብኤሮታውያን ናብ ጊታዪም ሃዲሞም ክሳዕ ሎሚ ኣብኡ ስደተኛታት ኰይኖም ኣለዉ።
   4ዮናታን ወዲ ሳኦል ከኣ እግሩ እተጐድኣ ወዲ ነበሮ። ንሱ እቲ ወረ ሳኦልን ዮናታንን ካብ ይዝርኤል ከመጽእ ከሎ፡ ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ነበረ፡ እታ መጒዚቱ ድማ ሒዛቶ ሃደመት። ኰነ ኸኣ፡ ቀልጢፉ ኽትሃድም ከላ፡ ንሱ ወደቐ እሞ ሓንካስ ኰነ። ስሙ ኸኣ መፊቦሸት ተባህለ።
   5እቶም ደቂ ሪሞን ብኤሮታዊ፡ ሬካብን ባዓናን ከዱ፡ መዓልቲ ምስ ደሃረ ኢሽ-ቦሸት ድቃስ ቀትሪ ደቂሱ ኸሎ፡ ናብ ቤቱ ኣተዉ። 6ስርናይ ዝወስዱ መሲሎም ናብ ማእከል ቤት ኣትዮም ከብዱ ወግእዎ። ሽዑ ሬካብን ባዓና ሓዉን ኣምለጡ። 7ናብ ቤቱ ምስ ኣተዉ ኸኣ፡ ንሱ ኣብ ሕልፍኚ ኣብ ዓራቱ ደቂሱ ኸሎ፡ ወጊኦም ቀተልዎ፡ ርእሱ ቘረጹ። ርእሱ ወሲዶም ድማ ምሉእ ለይቲ ብመገዲ ጐልጐል ከዱ። 8ርእሲ ኢሽ-ቦሸት ከኣ ናብ ዳዊት ኣብ ኬብሮን ኣምጽኡ፡ ንንጉስ ከኣ፡ ርእሲ ኢሽ-ቦሸት፡ ወዲ እቲ ንነፍስኻ ዝደልያ ዝነበረ ሳኦል ጸላኢኻ፡ እንሆልካ። እግዚኣብሄር ሎሚ ንጐይታይ ንጉስ ካብ ሳኦልን ካብ ዘርኡን ሕነ ፈደየሉ፡ በልዎ።
   9ሽዑ ዳዊት ንሬካብን ንባዓና ሓዉን፡ ደቂ ሪሞን ብኤሮታዊ፡ ከምዚ ኢሉ መለሰሎም፡ እግዚኣብሄር ህያው እዩ፡ እቲ ንነፍሰይ ካብ ኲሉ ጸበባ ዘድሓና፡ 10ነቲ ዘበሰረ መሲልዎስ፡ እንሆ፡ ሳኦል ሞይቱ፡ ኢሉ ዝነገረኒ፡ ብስራቱ ንምኽፋል ሒዙ ኣብ ጺቅላግ ቀተልክዎ። 11ዝገደደ ግዳ እኩያት ሰባት ነቲ ጻድቕ ሰብኣይ ኣብ ቤቱን ኣብ መደቀሲኡን ዝቐተልዎ፡ ሕጂ ኸኣ ከመይ እቲ ደሙ ኻብ ኣእዳውኩምዶ ኣይደልዮን፡ ካብ ምድርስ ኣየጥፍኣኩምንዶ፡ 12ዳዊት ድማ ንገላዉኡ ኣዘዞም፡ ንሳቶን ከኣ ቀተልዎም፡ ኣእዳዎምን ኣእጋሮምን ድማ ቈራረጽዎም፡ ኣብ ጥቓ ቐላይ ኬብሮን ሰቐልዎም። ርእሲ ኢሽ-ቦሸት ግና ኣብ መቓብር ኣብኔር ኣብ ኬብሮን ቀበርዎ።

         2ይ ሳሙኤል  ምዕራፍ 5            

   1ሽዑ ብዘለዉ ነገዳት እስራኤል ናብ ዳዊት ናብ ኬብሮን መጺኦም፡ እኔና፡ ንሕና ዓጽምኻን ስጋኻን ኢና፡ ኢሎም ተዛረብዎ፡ 2ካብ ቀደም፡ ሳኦል ኣብ ልዕሌና ነጊሱ ኸሎ፡ ንስኻ ንእስራኤል እተውጽእን እተእቱን ነበርካ። እግዚኣብሄር ድማ ንኣኻ፡ ንስኻ ንህዝበይ እስራኤል ክትጓሲ ኢኻ፡ ንስኻ ኸኣ ኣብ ልዕሊ እስራኤል መስፍን ክትከውን ኢኻ፡ ኢሉካ እዩ፡ በልዎ። 3ኲሎም ዓበይቲ እስራኤል ድማ ናብ ንጉስ ኣብ ኬብሮን መጹ፡ ንጉስ ዳዊት ከኣ ኣብ ኬብሮን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ምሳታቶም ኪዳን ኣተወ። ንዳዊት ድማ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንጉስ ከኸውን ቀብእዎ። 4ዳዊት ክነግስ ከሎ ወዲ ሰላሳ ዓመት ነበረ፡ ኣርብዓ ዓመት ከኣ ነገሰ፡ 5ኣብ ኬብሮን ኰይኑ ኣብ ልዕሊ ይሁዳ ሾብዓተ ዓመትን ሹድሽተ ወርሕን ነገሰ፡ ኣብ የሩሳሌም ኰይኑ ድማ ኣብ ልዕሊ ብዘሎ እስራኤልን ይሁዳን ሰላሳን ሰለስተን ዓመት ነገሰ።
   6ንጉስን ሰቡን ድማ ናብ የሩሳሌም፡ ነቶም ኣብታ ሃገር ዝንበሩ ይቡሳውያን ክዋግኡ ኸዱ። ንሳቶም ንዳዊት፡ ናብዝስ ኣይትኣቱን ኢኻ፡ ዕዉራትን ሓንካሳትን እኳ ኽሰጉኻ እዮም፡ በልዎ። ማለት ዳዊት ናብዚ ኣይከኣቱን እዩ። 7ዳዊት ግና ንእምባ ጽዮን፡ ንሳ ኸተማ ዳዊት፡ ሓዛ። 8ዳዊት ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ንየቡሳዊ ዝቐተለ ዘበለ ናብቲ መትርብ ማይ ይደይብ እሞ ነቶም ነፍሲ ዳዊት እተጸልኦም ሓንካሳትን ውዕራትን ይቕተሎም በለ። ስለዚ ዕውርን ሓንሳስን ናብ ቤት ኣይእተዉ፡ ተባህለ። 9ዳዊት ከኣ ኣብ እምባ ተቐመጠ እሞ ከተማ ዳዊት ኣውጽኣላ። ዳዊት ድማ ካብ ሚሎ ሒዙ ብዙርያኣን ብውሽጣን ነደቓ። 10ዳዊት ከኣ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት ምስኡ ነበረ እሞ፡ እናዓበየ ኸደ።
   11ሒራም ንጉስ ጢሮስ ድማ ንዳዊት ልኡኻትን ኦም ጽሕድን ጸረብትን ወቐርቲ እምንን ገይሩ ሰደደሉ። ንሳቶም ከኣ ንዳዊት ቤት ሃነጹሉ። 12ዳዊት ከኣ፡ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንጉስ ገይሩ ኸም ዘጽንዖ፡ ነታ መንግስዉውን ምእንቲ ህዝቡ እስራኤል ኢሉ ልዕል ከም ዘበላ ኣስተውዓለ።
   13ዳዊት ድማ ድሕርቲ ኻብ ኬብሮን ምምጻኡ መሊሱ ኣንስቲ ወሰንን ኣንስትን ካብ የሩሳሌም ወሰደ። ኣንስቲ ወሰንን ኣንስትን ካብ የሩሳሌም ወሰደ። ንዳዊት ከኣ ካልኦት ኣወዳትን ኣዋልድን ተወልዱሉ። 14እቶም ኣብ የሩሳሌም እተወልዱሉ ስሞም እዚ እዩ፡ ሻሙዓን ሾባብን ናታንን ሰሎሞንን፡ 15ይብሓርን ኤሊሹዓን ነፈግን ያፊዓን፡ 16ኤሊሻማዕን ኤልያዳዕን ኤሊፈለጥን።
   17ፍልስጥኤማውያን ከኣ ንዳዊት ኣብ ልዕሊ እስራኤል ከነግስ ከም ዝቐብእዎ ምስ ሰምዑ፡ ኲሎም ፍልስጥኤማውያን ንዳዊት ከደልይዎ ደየቡ። ዳዊት ድማ እዚ ምስ ሰምዐ፡ ናብ ዕርዲ ወረደ። 18ፍልስጥኤማውያን ከኣ መጺኦም ኣብ ለሰ ረፋይም ፋሕ በሉ። 19ዳዊት ድማ ንእግዚኣብሄር፡ ንፍልስጥኤማውያን ክድይቦምሲ፡ ኣብ ኢደይዶ ትህበኒ ኢኻ፡ ኢሉ ሓተቶ። እግዚኣብሄር ከኣ ንዳዊት፡ ደይቦም፡ ንፍልስጥኤማውያን ርግጽ ኣብ ኢድካ ኽህበካ እየ፡ በሎ። 20ዳዊት ድማ፡ ናብ በዓል-ጰራጺም መጸ፡ ኣብኣ ኸኣ ዳዊት ሰዓሮም፡ ማይ ከም ዝብተን፡ እግዚኣብሄር ድማ ነቶም ጸላእተይ ካብ ቅድመይ በተኖም፡ በለ። ስለዚ ስም እታ ቦታ እቲኣ በዓል-ጰራጺም ኣውጽኣላ። 21ጣኦታቶም ከኣ ኣብኡ ሓደጉ፡ ዳዊትን ሰቡን ድማ ኣልዓልዎም።
   22ፍልስጥኤማውያን ከኣ ከም ብሓድሽ ደዪቦም ኣብ ለሰ ረፋይም ፋሕ በሉ። 23ዳዊት ንእግዚኣብሄር ምስ ሓተቶ ድማ፡ ንሱ፡ ኣይትደይቦም፡ ብድሕሪኦም ደኣ ዙሮም፡ ብመንጽር እቲ ሳጋሉ ኸኣ እተዎም። 24ከኸውን ድማ እዩ፡ ኣብ ርእሲ እቲ ሳጋሉ ናይ ዝረግጽ ድምጺ ምስ ሰማዕካ፡ ሽዑ እግዚኣብሄር ንሰራዊት ፍልስጥኤማውያን ክዋግኦም ቅድሜኻ ወጺኡ እዩ እሞ፡ ሽዑ ቐልጢፍካ ስረር፡ በሎ። 25ዳዊት ከኣ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ፡ ከምኡ ገበር፡ ንፍልስጥኤማውያን ከኣ ካብ ጌብዕ ክሳዕ እታ ንጌዘር እትኣትወላ ሰዓሮም።

         2ይ ሳሙኤል  ምዕራፍ 6            

   1ዳዊት ድማ መሊሱ ነቶም ካብ እስራኤል እተሓርዩ ዂሎም ሰላሳ ሽሕ ሰብኣይ ኣከቦም። 2ዳዊት ከኣ ተንሲኡ ምስቲ ምስኡ ዝነበረ ዂሉ ህዝቢ ነቲ በቲ ስም፡ ስም እቲ ኣብ ልዕሊ ኪሩቤል ዝነብር እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት እተጸውዓሉ ታቦት ኣምላኽ ካብ በዓለ-ይሁዳ ኸደይቦ ኸደ። 3ንሳቶም ከኣ ነቲ ታቦት ኣምላኽ ኣብ ሓድሽ ሰረገላ ገይሮም ካብታ ኣብ ኲርባ ዝነበረት ቤት ኣቢናዳብ ኣልዓልዎ፡ ነቲ ሓድሽ ሰረገላውን ዑዛን ኣሕዮን፡ ደቂ ኣቢናዳብ፡ ይመርሕዎ ነበሩ። 4ካብታ ኣብ ኲርባ ምስ ታቦት ኣምላኽ ዝነበረ ቤት ኣቢናዳብ ከኣ ኣልዓልዎ። ኣሕዮ ኸኣ ቀቅድሚ እቲ ታቦት ይኸይድ ነበረ። 5ዳዊትን ብዘላ ቤት እስራኤልን ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ብዂሉ ዓይነት ቃናታት፡ ካብ ዕጨይቲ እተገብረ ብበገናን ብመሰንቆን ብኸበሮን ብቓጽላትን ብጸናጽልን ይጻወቱ ነበሩ።
6ኣብ ዓውዲ ናኮን ምስ መጹ ግና፡ እቶም ኣብዑር ስለ ዝፋነኑ፡ ዑዛ ኢዱ ዘርጊሑ ነቲ ታቦት ኣምላኽ ሓዞ። 7ሽዑ ዂራ እግዚኣብሄር ኣብ ዑዛ ነደደ፡ ስለ ድፍረቱ ኸኣ ኣምላኽ ቀዘፎ፡ ኣብኡ ድማ ኣብ ጥቓ ታቦት ኣምላኽ ሞተ። 8ዳዊት ከኣ፡ እግዚኣብሄር ንዑዛ ስለ ዝሰበሮ፡ ብጓሂ ሓረረ፡ ነታ ቦታ እቲኣ ኸኣ፡ ከምቲ ኽሳዕ ሎሚ መዓልቲ ዘሎ፡ ጴረጽ-ዑዛ ኢሉ ሰመያ። 9ዳዊት ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ ንእግዚኣብሄር ፈርሁ፡ ታቦት እግዚኣብሄር ከመይ ገይሩ ናባይ ከመጽእ፡ በለ። 10ስለዚ ኸኣ ዳዊት ንታቦት እግዚኣብሄር ናብ ቤት ዖቤድ-ኤዶም፡ ጊታዊ ኣእተዎ እምበር፡ ዳዊት ናብኡ፡ ናብ ከተማ ዳዊትሲ፡ ከግዕዞ ኣይፈተወን። 11እቲ ታቦት እግዚኣብሄር ከኣ ኣብ ቤት ዖቤድ-ኤዶም፡ ጊታዊ ሰለስተ ወርሒ ተቐመጠ። እግዚኣብሄር ድማ ንዖቤድ-ኤዶምን ንብዘላ ቤቱን ባረኸ።
12እግዚኣብሄር ምእንቲ ታቦት ኣምላኽ ኢሉ ንቤት ዖቤድ-ኤዶምን ንዘለዎ ኹሉን ባሪኹሉ፡ ኢሎም ንንጉስ ዳዊት ነገርዎ። ሽዑ ዳዊት ከይዱ ንታቦት ኣምላኽ ካብ ቤት ዖቤድ-ኤዶም ብሓጐስ ናብ ከተማ ዳዊት ኣደየቦ። 13ኰነ ድማ፡ እቶም ታቦት እግዚኣብሄር ዝጾሩ ሹድሽተ ስጒምቲ ምስ ሰጐሙ፡ ሓደ ብዕራይን ስቡሕ ድዑልን ሰውአ። 14ዳዊት ከኣ ብምሉእ ሓይሉ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይስዕስዕ ነበረ፡ ዳዊት ኤፎድ ልሕጺ እንጣጢዕ ድማ ተዓጢቑ ነበረ። 15ዳዊትን ብዘላ ቤት እስራኤልን ከኣ ንታቦት እግዚኣብሄር ብእልልታን ብቓና መለኸትን ኣደየብዎ።
16ኰነ ኸኣ፡ እቲ ታቦት እግዚኣብሄር ናብ ከተማ ዳዊት ከኣቱ ኸሎ፡ ሚካል ጓል ሳኦል ብመስኰት ተቐልቂላ ንጉስ ዳዊት ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከሰርርን ከስዕስዕን ከሎ ረኣየቶ እሞ ብልባ ነዓቐቶ። 17ነቲ ታቦት እግዚኣብሄር ኣምጺኦም ድማ ኣብ ስፍራኡ ኣብ ማእከል እቲ ዳዊት ዝተኸለሉ ድንኳን ኣንበርዎ። ዳዊት ከኣ ዝሓርር መስዋእትን መስዋእቲ ምስጋናን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣዕረገ፡ 18ዳዊት ድማ ዝሓርር መስዋእትን መስዋእቲ ምስጋናን ኣዕሪጉ ምስ ወድአ፡ ነቲ ህዝቢ ብስም እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ባረኾ። 19ንብዘሎ እቲ ህዝቢ ኸኣ፡ ንብዘሎ ኣኼብ እስራኤል፡ ካብ ሰብኣይ ክሳዕ ሰበይቲ ንነፍሲ ወከፍ ሓደ ቕጫን ሓደ ቑራጽ ስጋን ሓደ ጐጎ ዘቢብን መቐሎም። ድሕርዚ ኸኣ ብዘሎ እቲ ህዝቢ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ቤቱ ኸደ።
20ዳዊት ድማ ንቤቱ ኽባርኽ ተመልሰ። ሚካል ጓል ሳኦል ከኣ ንዳዊት ክትቅበሎ ወጺኣ፡ ንጉስ እስራኤልሲ፡ ከንቱ ዝዀነ ሰብ ከም ዝቕላዕ፡ ኣብ ቅድሚ ኣግራድ ገላዉኡ ብምቕላዑስ ሎሚ ኽንደይ ከበረ፡ በለት። 21ዳዊት ከኣ ንሚካል፡ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ድማ መስፍን ዝገበረኒ እግዚኣብሄር፡ እወ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እየ ዝስሓቕ ዘሎኹ። 22ገና እኳ ኻብዚ ክቐልል እየ፡ ኣብ ዓይነይ ከኣ ኣዝየ ኽሓስር እየ፡ ኣብተን ዝበልክየን ኣግራድ ግና ክከብር እየ፡ በለ፡ 23ሚካል ጓል ሳኦል ከኣ ክሳዕ እታ እትሞተላ መዓልቲ ውሉድ ኣይነበራን።

         2ይ ሳሙኤል  ምዕራፍ 7            

   1ኰነ ድማ፡ እቲ ንጉስ ኣብ ቤቱ ምስ ተቐመጠ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ካብቶም ኣብ ዙርያኡ ዘለዉ ዂሎም ጸላእቱ ምስ ኣዕረፎ፡ 2እቲ ንጉስ ንነብዪ ናታን፡ ርኤማ በጃኻ፡ ኣነ ኣብ ቤት ጽሕዲ ኽነብር ከሎኹስ፡ ታቦት ኣምላኽ ኣብ ማእከል ድንኳን ዓለባታት ተቐሚጡ ኣሎ፡ በሎ። 3ናታን ከኣ ንንጉስ፡ እግዚኣብሄር ምሳኻ እዩ እሞ፡ ኪድ፡ ኣብ ልብኻ ዘሎ ዂሉ ግበር፡ በሎ። 4ኰነ ድማ፡ በታ ለይቲ እቲኣ ቓል እግዚኣብሄር ናብ ናታን መጺኡ ከምዚ በለ፡ 5ኪድ፡ ንባርያይ ዳዊት፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብለካ ኣሎ፡ በሎ፡ ንስኻዶ ኣነ ዝነብረላ ቤት ክትሰርሓለይ ኢኻ፡ 6ካብታ ንደቂ እስራኤል ካብ ግብጺ ዘውጻእኩላ መዓልቲ ጀሚረ ኽሳዕ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ድንኳንን ኣብ ማሕደርን ደኣ እከይድ ነበርክ እምበር፡ ኣብ ቤትሲ ኣይነበርኩን። 7ኣብቲ ምስ ኲሎም ደቂ እስራኤል ንህዝበይ ንእስራኤል ክጓሲ ንዝኣዘዝክዎስ፡ ስለምንታይ ቤት ጽሕዲ ዘይሰራሕኩምለይ፡ ኢለዶ ተዛረብኩ፡ 8ሕጂ ኸኣ ንባርያይ ዳዊት ከምዚ በሎ፡ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኣነ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ ኣብ ልዕሊ እስራኤል መስፍን ክትከውን፡ ካብ ምጒሳይካ፡ ካብ ድሕሪ እተን ኣባጊዕ ኣምጻእኩኻ። 9ኣብ ዝኼድካዮ ዘበለ ኸኣ ምሳኻ ነበርኩ፡ ንዂሎም ጸላእትኻውን ካብ ቅድሜኻ ኣጽነትክዎም። ከም ስም እቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ዓበይቲ ድማ ዓብዪ ስም ገበርኩልካ። 10-11ንህዝበይ እስራኤልውን ቦታ ኸዳልወሉ፡ ድሕሪ ደጊም ከይነቓነቕሲ ኣብታ ቦታኡ ኽትኸሎ እየ። ሽዑ፡ ከምቲ ኻብታ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤል ፈረዲ ከዀኑ ዝኣዘዝኩላ መዓልቲ፡ እቶም ደቂ ዓመጽቲ ኸምቲ ናይ ቀደም ገይሮም መሊሶም ኣየጨንቕዎምን። ካብ ኲሎም ጸላእትኻ ድማ ከዕርፈካ እየ። አረ እግዚኣብሄርሲ ይነግረካ ኣሎ። 12መዓልትታትካ ምስ መልኣ፡ ምስ ኣቦታትካ ኸኣ ምስ ደቀስካ፡ ብድሕሬኻ ድማ ነቲ ኻብ ከርስካ ዝወጽእ ዘርእኻ ልዕል ከብሎ እየ፡ ነታ መንግስቱውን ከጽንዓ እየ። 13ንሱ ንስመይ ቤት ከሰርሕ እዩ፡ ኣነ ኸኣ ዝፋን መንግስቱ ንዘለኣለም ከጽንዓሉ እየ። 14ኣነ ኣቦ ክዀኖ፡ ንሱ ድማ ወዲ ከዀነኒ እዩ። እንተ በደለ ኸኣ፡ ብሸበጥ ሰብን ብመውቃዕቲ ደቂ ሰብን ገይረ ኽገርፎ እየ። 15ግናኸ ከምቲ ነቲ ኻብ ቅድሜኻ ዘግለስክዎ ሳኦል ዘግለስኩሉ፡ ምሕረተይ ካብኡ ኣየግልስን። 16ቤትካን መንግስትኻን ከኣ ኣብ ቅድሜኻ ንዘለኣለም ከጸንዓ እየን፡ ዝፋንካውን ንዘለኣለም ከጸንዕ እዩ። 17ከም ኲሉ እዚ ዘረባ እዝን ከም ኲሉ እዚ ራእይ እዝን ናታን ከምኡ ገይሩ ንዳዊት ተዛረቦ።
18ሽዑ ንጉስ ዳዊት ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣተወ ተቐሚጡ ድማ በለ፡ ዎ እግዚኣብሄር ጐይታይ፡ ክሳዕ ክንድዚ ዘብጻሕካንስ፡ ኣነ መን እየ፡ ቤተይከ እንታይ እያ፡ 19ዎ እግዚኣብሄር ጐይታይ፡ እዚ ድማ ንእሽቶ ዀይኑ ተራእዩካስ፡ ብዛዕባ እቲ ናይ ቤት ባርያኻ ብርሑቕ ዝኸውን ትዛረብ ኣሎኻ። ዎ እግዚኣብሄር ጐይታይ፡ እዝስ ሕጊ ሰብዶ እዩ፧ 20ዎ እግዚኣብሄር ጐይታይ፡ ንባርያኻ ትፈልጦ ኣሎኻ፡ ደጊምከ ዳዊት መሊሱ እንታይ ኢሉ ክዛረበካ እዩ፧ 21ምእንቲ እቲ ዘረባካን ከምቲ ናይ ልብኻን ንባርያኻ ኸተፍልጦስ፡ እዚ ዓብዪ ነገርዚ ገበርካ። 22ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ከምቲ ብእዛንና ዝሰማዕናዮ ዂሉስ፡ ከማኻ የልቦን፡ ብጀካኻውን ኣምላኽ የልቦን እሞ፡ ስለዚ ዓብዪ ኢኻ። 23ህዝቡ ምእንቲ ከኸውን ከድሕኖ፡ ስም ድማ ከገብረሉ፡ እዚ ዓብዪ ነገር ከገብረልኩምን፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ኻብ ግብጺ፡ ካብ ኣህዛብን ካብ ኣማልኽቶምን ንኣኻ ከኸውን ዘድሓንካዮ ህዝብኻ ንምድርኻ ዘፍርህ ነገር ከገብርን ኢሉ ኣምላኽ ዝኸዶ፡ ኣብ ምድርኻ ኸም ህዝብኻ፡ ከም እስራኤል ዝበለ ኣየናይ ሓደ ህዝቢ ኣሎ፧ 24ንህዝብኻ እስራኤል ከኣ ንዘለኣለም ህዝብኻ ከኸውን መደብካዮ። ንስኻ እግዚኣብሄር ድማ ኣምላኾም ኰንካ። 25ሕጂ ኸኣ፡ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ነቲ ብዛዕባ ባርያኻን ብዛዕባ ቤቱን እተዛረብካዮ ነገር ንዘለኣለም ኣጽንዓዮ፡ ከምቲ እተዛረብካዮ ኸኣ ግበር። 26እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊትሲ ኣምላኽ እስራኤል እዩ፡ ብምባሎም ድማ ስምካ ንዘለኣለም ይዕበ። ቤት ባርያኻ ዳዊት ከኣ ኣብ ቅድሜካ ትቑም። 27ዎ እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ ንባርያኻ፡ ኣነ ቤት ክሰርሓልካ እየ፡ ኢልካ ገሊጽካሉ ኢኻ፡ ስለዚ ባርያኻ እዚ ጸሎት እዚ ናባካ ኽጽሊ ኣብ ልቡ ረኸበ። 28ሕጂ ኸኣ፡ እግዚኣብሄር ጐይታይ፡ ንስኻ ኣምላኽ ኢኻ፡ ዘረባኻውን ሓቂ እዩ፡ እዚ ጽቡቕ ነገር እዚውን ንባርያካ ኣተስፎኻዮ። 29ሕጂ ድማ፡ እግዚኣብሄር ጐይታይ፡ ቤት ባርያኻ ብበረኸትካ ንዘለኣለም ክትባረኽ ተዛሪብካ ኢኻ እሞ፡ ስለዚ ቤት ባርያካ ንዘለኣለም ኣብ ቅድሜካ ምእንቲ ኽትነብር፡ ክትባርኻ ፍቶ።

         2ይ ሳሙኤል  ምዕራፍ 8            

   1ድሕርዚ ኸኣ ኰነ፡ ዳዊት ንፍልስጥኤማውያን ሰዓሮምን ኣጥቅዖምን፡ ልጓም ርእሲ ኸተማኦም ድማ ካብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ወሰዶ። 2ንሞኣባውያንውን ሰዓሮም፡ ኣብ ምድሪ በጥ ኣቢሉ ኸኣ ብገመድ ሰፈሮም፡ ክልተ ገመድ ንሞት፡ ገመድ ምሉእ ከኣ ንህይወት ሰፈረ። ሞኣባውያን ከኣ ንዳዊት ገላዉኡ ዀይኖም ገጽ በረከት ኣምጽኡሉ።
3ዳዊት ከኣ ነቲ ኣብ ርባ ኤፍራጥስ ዝነበረ ግዝኣቱ ኸምልስ ኢሉ ከኸይድ ከሎ፡ ንሃዳድ-ዔዘር፡ ወዲ ሬሖብ፡ ንጉስ ጸባ፡ ሰዓሮ። 4ዳዊት ድማ ካብኡ ሽሕን ሾብዓተ ሚእትን ፈረሰኛ፡ ዕስራ ሽሕ ከኣ ኣጋራይ ሰብ ወሰደ። ዳዊት ድማ ሚእቲ ፈረስ ሰረገላ ኣትሪፉስ፡ ንዂሎም ኣፍራስ ሰረገላ ኣእጋሮም ቀንጀቦም።
5እቶም ናይ ደማስቆ ሶርያውያን ከኣ ንሃዳድ-ዔዘር ንጉስ ጸባ ኽረድኡ ኢሎም ምስ መጹ፡ ዳዊት ካብቶም ሶርያውያን ዕስራን ክልተን ሽሕ ሰብኣይ ቀተለ፡ 6ዳዊት ድማ ኣብ ሶርያ ናይ ደማስቅ ሓለውቲ ኣቐመጠ። ሶርያውያን ከኣ ንዳዊት ገላዉኡ ዀይኖም ገጽ በረኸት ኣምጽኡሉ። እግዚኣብሄር ድማ ንዳዊት ኣብ ዝኸዶ ዘበለ ዲል ሃቦ። 7ዳዊት ከኣ ነቲ ኣብ ገላዉ ሃዳድ-ዔዘር ዝነበረ ዋላቱ ወርቂ ወሰደ፡ ናብ የሩሳሌም ድማ ኣምጽኦ። 8ንጉስ ዳዊት ከኣ ካብ ቤጣሕን ካብ ቤሮታይን፡ ከተማታት ሃዳድ-ዔዘር፡ ኣዝዩ ብዙሕ ኣስራዚ ወሰደ።
9ቶዒ ንጉስ ሓማት ድማ፡ ዳዊት ንብዘሎ ሰራዊት ሃዳድ-ዔዘር ከም ዝሰዓሮ ምስ ሰምዐ፡ 10ሃዳድ-ዔዘር ምስ ቶዒ ተዋጊኡ ነበረ እሞ፡ ንዳዊት ብዛዕባ ጥዕናኡ ኽሓቶን፡ ንሃዳድ-ዔዛር ተዋጊኡ ስለ ዝሰዓሮ ኸኣ ከምርቖን፡ ወዱ ዮራም ለኣኸሉ። ኣብ ኢዱ ኸኣ ኣቓሑ፡ ብሩርን ኣቓሑ ወርቅን ኣቓሑ ኣስራዝን ገበረ። 11-12ነዝውን ንጉስ ዳዊት፡ ምስቲ ኻብቶም ዝሰዓሮም ኲሎም ኣህዝብ፡ ካብ ሶርያውያንን ካብ ሞኣባውያንን ካብ ደቂ ዓሞንን ካብ ፍልስጥኤማውያንን ካብ ኣማሌቃውያንን ካብ ምርኮ ሃዳድ-ዔዘር፡ ወዲ ሬሖብ፡ ንጉስ ጾባን ወሲዱ ዝቐደሶ ብሩርን ወርቅን፡ ንእግዚኣብሄር ቀደሰሉ።
13ዳዊት ድማ ንሶርያውያን ስዒሩ ምስ ተመልሰ፡ ኣብ ለሰ ጨው ዓሰርተው ሾሞንተ ሽሕ ምስ ቀተለ፡ ስም ረኸበ። 14ኣብ ኤዶም ከኣ ሓለውቲ ኣቐመጠ፡ ኣብ ብዘላ ኤዶም ሓለውቲ ኣቐመጠ። ኲሎም ኤዶማውያን ከኣ ገላዉ ዳዊት ኰኑ። ንዳዊት፡ ኣብ ዝኸዶ ዘበለ፡ እግዚኣብሄር ዲል ሃቦ።
15ዳዊት ድማ ንብዘሎ ህዝቡ ፍርድን ጽድቅን እናገበረ ኣብ ልዕሊ ዂሉ እስራኤል ነገሰ። 16ዮኣብ ወዲ ጽሩያ ሓለቓ ሰራዊት ነበረ፡ ይሆሻፋጥ ወዲ ኣሒሉድ ከኣ ጸሓፍ ዛንታ፡ 17ጻዶቅ ወዲ ኣሒጡብን ኣሒሜለክ ወዲ ኣብያታርን ድማ ካህናት ነበሩ፡ ሰራያ ኸኣ ጸሓፊ ነበረ፡ 18በናያ ወዲ ይሆያዳ ድማ ሓለቓ ክረታውያንን ጵለታውያንን ነበረ። ደቂ ዳዊት ከኣ ካህናት ነበሩ።

        2ይ ሳሙኤል  ምዕራፍ 9            

   1ዳዊት ድማ፡ ካብ ቤት ሳኦልሲ ምእንቲ ዮናታን ኢለ ምህረት ዝገበረሉ ገለ ሓድጊ ደዀን ይህሉ፡ በለ። 2ጺባ ዝስሙ ሰብኣይ ከኣ ኣገልጋሊ ቤት ሳኦል ነበረ፡ ንእኡ ናብ ዳዊት ጸውዕዎ። ንጉስ ድማ፡ ንስኻ ዲካ ጺባ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ጊልያኻ ንሱ እዩ በለ፡ 3ንጉስ ድማ፡ ምሕረት ኣምላኽ ክገብረሉስ፡ ካብ ቤት ሳኦልዶ ገለ የልቦን፡ በለ። ጺባ ኸኣ ንንጉስ፡ ኣእጋሩ እተጐድኣ እባ ሓደ ወዲ ዮናታን ኣሎ፡ በሎ። 4ንጉስ ድማ፡ ኣበይ ኣሎ ንሱ፡ በሎ። ጺባ ኸኣ ንንጉስ፡ እንሆ፡ ንሱ ኣብ ቤት ማኪር ወዲ ዓማኤል፡ ኣብ ሎ-ድባር ኣሎ፡ በሎ። 5ሽዑ ንጉስ ዳዊት ልኢኹ ኻብ ቤት ማኪር ወዲ ዓሚኤል፡ ካብ ሎ-ድባር ኣምጽኦ። 6መፊቦሸት ወዲ ዮናታን፡ ወዲ ሳኦል፡ ናብ ዳዊት መጺኢ፡ ብገጹ ተደፊኡ ፍግም በለ፡ ዳዊት ድማ፡ መፊቦሸት፡ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ እኔኹ ጊልያኻ፡ በለ። 7ዳዊት ድማ፡ ምእንቲ ኣቦኻ ዮናታን ኢሌ ርግጽ ምሕረት ክገብረልካ እየ፡ ንስኻ ኸኣ ንሓዋሩ ኣብ መኣደይ እንጌራ ኽትበልዕ ኢኻ፡ በሎ። 8ንሱ ድማ ፍግም ኢሉ፡ ናብ ከማይ ዝበለ ምውት ከልቢ ገጽካ ኽትመልስሲ፡ ጊልያኻ እንታይ እየ፡ በለ።
9ሽዑ ንጉስ ንጺባ ጊልያ ሳኦል ጸዊዑ፡ ናይ ሳኦልን ናይ ብዘላ ቤቱን ዝዀነ ዂሉ ንወዲ ጐይታኻ ሂበዮ ኣሎኹ። 10ንስኻን ደቅኻን ግዙኣትካን ድማ፡ ንወዲ ጐይታኻ ምእንቲ ዚብላዕ እንጌራ ከዀኖስ፡ እቲ መሬት ሓሪስኩም፡ ንእኡ ኣእትወሉ። መፊቦሸት ወዲ ጐይታኻ ግና ንወርትግ ኣብ መኣደይ እንጌራ ኽበልዕ እዩ፡ በሎ። ንጺባ ኸኣ ዓሰርተው ሓሙሽተ ኣወዳትን ዕስራ ግዙኣትን ነበርዎ። 11ጺባ ድማ ንንጉስ፡ ከምቲ ጐይታይ ንጉስ ንጊልያኡ ዝኣዘዞ ዂሉ ጊልያኻ ኸምኡ ኽገብር እዩ፡ በሎ። ንጉስ መሊሱ፡ መፊቦሸትሲ ኸም ሓደ ኻብ ደቂ ንጉስ ኣብ መኣደይ ከበልዕ እዩ፡ በለ። 12መፊቦሸት ከኣ፡ ሚካ ዝስሙ ንእሽቶ ወዲ ነበሮ። ኣብ ቤት ጺባ ዝነበሩ ዂሎም ድማ ገላዉ መፊቦሸት ኰኑ። 13መፊቦሸት ከኣ፡ ወርትግ ኣብ መኣዲ ንጉስ ይበልዕ ነበረ እሞ፡ ኣብ የሩሳሌም ይቕመጥ ነበረ፡ ንሱ ኸኣ ክልቲኡ እግሩ ሓንካስ ነበረ።

         2ይ ሳሙኤል  ምዕራፍ 10            

   1ድሕርዚ ድማ ዀነ፡ ንጉስ ደቂ ዓሞን ሞተ፡ ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ሓኑን ነገሰ። 2ዳዊት ድማ፡ ንሓኑን ወዲ ናሓሽ ከምቲ ኣቦኡ ንኣይ ምሕረት ዝገበረለይ፡ ንእኡ ምሕረት ክገብር እየ፡ በለ። ዳዊት ከኣ ብዛዕባ ኣቦኡ ብገላውኡ ገይሩ ኸጸናንዖ ልኡኻት ሰደደሉ። እቶም ገላዉ ዳዊት ከኣ ናብ ደቂ ዓሞን ኣተዉ። 3እቶም መሳፍንቲ ደቂ ዓሞን ግና ንጐይታኦም ሓኑን፡ ዳዊት ነቦኻ ኣኽቢሩዶ መጸናናዕቲ ዝሰደደልካ ይመስለካ ኣሎ፡ ዳዊትሲ ነዛ ኸተማ ኽምርምራን ከስልያን ከጥፍኣን ደይኰነን ገላዉኡ ሰዲዱልካ ዘሎ፡ በልዎ። 4ሽዑ ሓኑን ንገላዉ ዳዊት ወሲዱ፡ ፈፈረቓ ጭሕሞም ድማ ላጽዩ፡ ፈረቓ ኽዳውንቶም ከኣ ከክሳዕ መዓኰሮም ቈሪጹ ሰደዶም። 5እዚ ንዳዊት ምስ ነገርዎ ድማ፡ እቶም ሰባት እምብዛ ሓፊሮም ነበሩ እሞ፡ ከቕበልዎ ልኡኻት ሰደደሎም። ንጉስ ከኣ፡ እቲ ጭሕምኹም ክሳዕ ዝበቁል ኣብ ያሪኮ ጸኒሕኩምሲ ተመለሱ፡ በሎም።
   6ደቂ ዓሞን ድማ ኣብ ዳዊት ከም እተጸልኡ ምስ ረኣዩ፡ እቶም ደቂ ዓሞን ልኢኾም ካብ ናይ ቤት ሬሖብ ሶርያውያንን ካብ ናይ ጾባ ሶርያውያንን ዕስራ ሽሕ እግረኛ፡ ካብ ንጉስ መዓካውን ሽሕ፡ ካብ ሰብ ጦብ ከኣ ዓሰርተው ክልተ ሽሕ ሰብኣይ ተኻረዩ። 7ዳዊት ድማ እዚ ምስ ሰምዐ፡ ንዮኣስ ነቶም ጀጋኑ ዘበሉ ሰራዊት ኣትሒዙ ሰደዶ። 8ደቂ ዓሞን ከኣ ወጺኦም ኣብቲ ኣፍ ደገ ንውግእ ተሰለፉ፡ እቶም ሶርያውያን ናይ ጾባን ሬሖብን ሰብ ጦብን መዓካን ድማ ንበይኖም ኣብ መሮር ነበሩ። 9ሽዑ ዮኣብ ብቕድሚኡን ብድሕሪኡን ውግእ ከም ዝዀኖ፡ ምስ ረኣየ፡ ካብ ኲሎም ሕሩያት እስራኤል ሓርዩ፡ ኣብ ቅድሚ ሶርያውያን ኣሰለፎም። 10እቲ ዝተረፈ ህዝቢ ኸኣ ኣብ ኢድ ኣቢሳይ ሓዉ ነበሮ፡ ንደቂ ዓሞን ከቃባበል ድማ ኣሰለፎ። 11በለ ድማ፡ ሶርያውያን ካባይ እንተ ሓየሉ፡ ንስኻ ርድኣኒ፡ ደቂ ዓሞን ካባኻ እንተ ሓየሉ ግና፡ ኣነ ኽረድኣካ እየ። 12ጽናዕ፡ ምእንቲ ህዝብናን ምእንቲ ኸተማታት ኣምላኽናን ኢልና ድማ ንጽናዕ፡ እግዚኣብሄር ከኣ እቲ ጽቡቕ ኰይኑ እተራእዮ ይግበር። 13ዮኣብን እቲ ምስኡ ዝነበረ ህዝብን ድማ ንሶርያውያን ከዋግእዎም ቀረቡ፡ ንሳቶም ከኣ ካብ ቅድሚኡ ሃደሙ። 14እቶም ደቂ ዓሞን ድማ ሶርያውያን ከም ዝሃደሙ ምስ ረኣዩ፡ ንሳቶም ከኣ፡ ካብ ቅድሚ ኣቢሳይ ሃዲሞም ናብታ ኸተማ ኣተዉ። ሽዑ ዮኣብ ካብ ደቂ ዓሞን ተመሊሱ ናብ የሩሳውሌም ኣተወ።
   15ሶርያውያን ከኣ ኣብ ቅድሚ እስራኤል ከም እተሳዕሩ ምስ ረኣዩ፡ ብሓደ ተኣከቡ። 16ሃዳድ-ዔዘር ድማ ልኢኹ ነቶም ኣብ ስግር ርባ ዝነበሩ ሶርያውያን ኣውጽኦም እሞ፡ ሾባኽ እቲ ናይ ሃዳድ-ዔዘር ሓለቓ ሰራዊት መሪሕዎም ናብ ሔላም መጹ። 17እዚ ንዳዊት ምስ ነገርዎ ኸኣ፡ ንብዘሎ እስራኤል ኣኽተተ፡ ዮርዳኖስ ተሳጊሩውን፡ ናብ ሔላም መጸ፡ ሶርያውያን ድማ ንዳዊት ከቃባበልዎ ተሰለፉ፡ ምስኡ ኸኣ ተዋግኡ። 18እቶም ሶርያውያን ድማ ካብ ቅድሚ እስራኤል ሃደሙ። ዳዊት ከኣ ካብ ሶርያውያን ሾብዓተ ሚእቲ ሰብ ሰረገላን ኣርብዓ ሽሕ ፈረሰኛን ቀተለ፡ ንሾባኽ ሓለቓ ሰራዊቶም ድማ ቀተሎ እሞ፡ ኣብኡ ሞተ። 19እቶም ንሃዳድ-ዔዘር ዚግዝኡ ዝነበሩ ዂሎም ነገስታት ድማ ኣብ ቅድሚ እስራኤል ከም እተሳዕሩ ምስ ረኣዩ፡ ምስ እስራኤል ተዓሪቖም ተገዝኡ። እቶም ሶርያውያን ከኣ ድሕርዚ ንምርዳእ ደቂ ዓሞን ፈርሁ።

         2ይ ሳሙኤል  ምዕራፍ 11            

   1ኰነ ድማ፡ ንዓመታኡ፡ በቲ ነገስታት ንውግእ ዝወጹሉ ግዜ፡ ዳዊት ንዮኣብ ምስኡ ኸኣ ንገላዉኡን ንብዘሎ እስራኤልን ሰደዶ። ንደቂ ዓሞን ኣጥፊኦም ድማ ንራባ ከበብዋ። ዳዊት ግና ኣብ የሩሳሌም ተሪፉ ነበረ።
   2ኰነ ኸኣ፡ ኣጋ ምሸት ዳዊት ካብ ምድቃሱ ተንሲኡ ኣብ ናሕሲ ቤት ንጉስ ከማላለስ ከሎ፡ ሓንቲ ሰበይቲ ማይ ክትሕጸብ ከላ፡ ኣብቲ ናሕሲ ዀይኑ ረኣያ፡ እታ ሰበይቲ ኸኣ ትርኢታ ብዙሕ ጽቡቕ ነበረ። 3ዳዊት ድማ ልኢኹ ብዛዕባ እታ ሰበይቲ ሓተተ፡ እዚኣስ ባትሴባ ጓል ኤሊዓም፡ ሰበይቲ ኡርያ ሔታዊ ደይኰነትን፡ ከኣ በልዎ። 4ዳዊት ድማ ልኡኻት ሰዲዱ ወሰዳ፡ ናብኡ ኸኣ ኣተወት፡ ጽጌኣ ተሓጺባ ነበረት እሞ፡ ምስኣ ደቀሰ፡ ናብ ቤታ ድማ ተመልሰት።
   5እታ ሰበይቲ ኸኣ ጠነሰት እሞ፡ ናብ ዳዊት ልኢኻ ድማ፡ ኣነ ጠኒሰ እየ፡ ኢላ ነገረቶ። 6ሽዑ ዳዊት ናብ ዮኣብ፡ ንኡርያ ሔታዊ ስደደለይ፡ ኢሉ ለኣኸሉ። ዮኣብ ከኣ ንኡርያ ናብ ዳዊት ሰደዶ። 7ኡርያ ናብኡ ምስ መጸ ድማ፡ ዳዊት ብዛዕባ ደሓን ዮኣብን ህዝብን እቲ ሰልፍን ሓተተ። 8ዳዊት ከኣ ንኡርያ፡ ናብ ቤትካ ውረድ፡ ኣእጋርካውን ተሓጸብ፡ በሎ። ኡርያ ድማ ካብ ቤት ንጉስ ወጸ፡ ካብ ብልዒ ንጉስ ከኣ ደድሕሪኡ ሰዓቦ። 9ኡርያ ግና ምስ ኲሎም ገላዉ ጐይታኡ ኣብ ኣፍ ቤት ንጉስ ደቀሰ እምበር፡ ናብ ቤቱስ ኣይወረደን። 10ንዳዊት፡ ኡርያስ ናብ ቤቱ፡ ኣይወረደን፡ ኢሎም ምስ ነገርዎ ድማ፡ ዳዊት ንኡርያ፡ ንስኻ ኻብ መገዲ መጺእካ ደይኰንካን፡ ስለምንታይከ ናብ ቤትካ ዘይወረድካ፡ በሎ። 11ኡርያ ኸኣ ንዳዊት፡ ታቦትን እስራኤልን ይሁዳን ኣብ ጐጆታት ይነብሩ ኣለዉ፡ ጐይታይ ዮኣብን ገላዉ ጎይታይን ከኣ ኣብ ጻሕጻሕታ መሮር ሰፊሮም ኣለዉ፡ ኣነዶ ኽበልዕን ክሰትን ምስ ሰበይተይ ክድቅስን ኢለ ናብ ቤተይ ክኣቱ፡ ህያው ከም ዝዀንካ፡ ነፍስኻ ድማ ህያው ከም ዝዀነት፡ እዚ ነገር እዝስ ኣይገብሮን እየ። በሎ። 12ዳዊት ከኣ ንኡርያ፡ ሎሚውን ኣብዚ ጽናሕ፡ ጽባሕ ድማ ክሰደካ እየ፡ በሎ። ኡርያ ኸኣ በታ መዓልቲ እቲኣን ንጽብሒታን ኣብ የሩሳሌም ተቐመጠ። 13ዳዊት ምስ ጸውዖ ድማ፡ ኣብ ቅድሚኡ በልዐን ሰተየን፡ ኣስከሮውን። ንምሸቱ ድማ ምስቶም ገላዉ ጐይታኡ ኣብ መደቀሲኡ ኽድቅስ ወጸ፡ ናብ ቤት ግና ኣይወረደን።
   14ኰነ ድማ፡ ንጽብሒቱ ንግሆ ዳዊት ንዮኣብ ደብዳበ ጽሒፉ፡ ብኢድ ኡርያ ሰደደሉ። 15ኣብታ ደብዳበ ኸኣ፡ ንኡርያ ናብ መንጽር እቲ ብርቱዕ ውግእ ኣእትዎ እሞ ተወጊኡ ምእንቲ ኽመውትሲ፡ ካብ ድሕሪኡ ተመለሱ፡ ኢሉ ጸሓፈ። 16ኰነ ድማ፡ ዮኣብ ነታ ኸተማ ምስ ከበባ፡ ንኡርያ ናብታ ጀጋኑ ሰባት ከም ዘለውዋ ዝፈለጣ ቦታ ገበሮ፡ 17ሰብ እታ ኸተማ ኸኣ ወጺኦም ንዮኣብ ተዋግእዎ። ካብቲ ህዝቢ፡ ካብ ገላዉ ዳዊት ገለ ወደቑ፡ ኡርያ ሔታዊውን ሞተ። 18ሽዑ ዮኣብ ልኢኹ ብዛዕባ እቲ ናይ ውግእ ነገር ኲሉ ንዳዊት ነገሮ። 19ነቲ ልኡኽ ድማ ከምዚ ኢሉ ኣዘዞ፡ እቲ ናይ ውግእ ነገር ኲሉ ንንጉስ ተዛሪብካ ምስ ወዳእካ፡ 20ሽዑ ከኸውን እዩ፡ ንጉስ ኰርዩ እንተ በለካ፡ ስለምንታይከ ኽትዋግኡ ኢልኩም ናብታ ኸተማ ቐረብኩም፡ ካብ ልዕሊ እቲ መንደቕ ከም ዝውርወሩዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፡ 21እቲ ኣብ ቴቤጽ ዝሞተ ኣቢሜለክ ወዲ የሩበሼት መን እዩ ዝቐተሎ፡ ሰበይቲ ደይኰነትን ካብ ልዕሊ መንደቕ መዲድ ዝደርበየትሉ፡ ስለምንታይ ናብ መንደቕ ቀረብኩም፡ ሽዑ ንስኻ ድማ፡ ጊልያኻ ኡርያ እቲ ሔታዊ ኸኣ ሞይቱ፡ በሎ።
   22እቲ ልኡኽ ድማ ከደ፡ መጺኡ ኸኣ እቲ ዮኣብ ዝለኣኾ ዂሉ ንዳዊት ነገሮ። 23እቲ ልኡኽ ድማ ንዳዊት፡ እቶም ሰባት በርቲዖምናስ ናባና ናብ መሮር ወጹ፡ ንሕና ኸኣ ክሳዕ እቲ ኣፍ ደገ ደፋእናዮም። 24እቶም ወርወርቲ ድማ ንገላዉኻ ኻብ ልዕሊ መንደቕ ወርወሩሎም፡ ካብቶም ገላዉ ንጉስ ከኣ ሞቱ፡ ጊልያኻ ኡርያ፡ እቲ ሔታዊ፡ ድማ ሞይቱ፡ በሎ። 25ሽዑ ዳዊት ነቲ ልኡኽ፡ ንዮኣብ ከምዚ በሎ፡ ሴፍ ሓንሳእ ነዚ ሓንሳእ ከኣ ነቲ እዩ ዝውድእ እሞ፡ እዚ ነገር እዚ ኽፉእ ኰይኑ ኣይርኣኻ፡ ነታ ኸተማ ኣጽኒዕካ ተዋግኣያን ኣፍርሳን። ንስኻውን ኣጽንዓዮ፡ በሎ።
   26ሰበይቲ ኡርያ ኸኣ፡ ኡርያ ሰብኣያ ኸም ዝሞተ ምስ ሰምዐት፡ ንሰብኣያ በኸየትሉ። 27ሓዘና ምስ ሓለፈ ድማ፡ ዳዊት ልኡኹ ናብ ቤቱ ወሰዳ። ሰበይቱ ኸኣ ኰነት፡ ወዲ ድማ ወለደትሉ። እዚ ዳዊት ዝገበሮ ነገር ግና ኣብ እግዚኣብሄር ክፉእ ኰይኑ ተራእየ።

         2ይ ሳሙኤል  ምዕራፍ 12            

   1እግዚኣብሄር ድማ ንናታን ናብ ዳዊት ለኣኾ። ንሱ ኸኣ ናብኡ ኣትዩ በሎ፡ ኣብ ሓንቲ ኸተማ ኽልተ ሰብኣይ ነበሩ፡ እቲ ሓደ ሃብታም፡ እቲ ሓደ ድማ ድኻ። 2እቲ ሃብታም ኣዝየን ብዙሓት ኣባጊዕን ኣሓን ነበራኦ። 3እቲ ድኻ ግና፡ ብጀካ ዝዓደጋ ሓንቲ ንእሽቶ ሽበን፡ ገለ እኳ ኣይነበራኦን። ንሱ ኣዕበያ፡ ምስኡን ምስ ደቁን ከኣ ብሓደ ዓበየት፡ ካብ ቁራሱ ትበልዕ፡ ካብ ዋንጫኡውን ትሰቲ፡ ኣብ ሕቑፉ ድማ ትድቅስ፡ ንእኡ ኸም ጓሉ ነበረት። 4እቲ ሃብታም ሰብኣይ፡ በዓል መገዲ ምስ መጾ ኸኣ፡ ነቲ ዝመጾ በዓል መገዲ ኻብተን ኣባጊዑን ካብተን ኣሓኡን ወሲዱ ኸየዳልወሉስ፡ በቐቐን፡ ነታ ሽበን እቲ ድኻ ወሲዱ ግና ነቲ ዝኣተዎ ሰብኣይ ኣዳለወሉ።
   5ሽዑ ዂራ ዳዊት ኣብቲ ሰብኣይ ኣዝዩ ነደደ፡ ንናታን ከኣ፡ እቲ እዚ ዝገበረ ሰብኣይ ወዲ ሞት ከም ዝዀነ፡ ህያው እግዚኣብሄር እዩ፡ 6እዚ ነገር እዚ ስለ ዝገበረን፡ ድንጋጽዉን ስለ ዘይገበሮን፡ ኣብ ክንዲ እታ ሽበን ኣርባዕተ ገይሩ ይኽሓስ፡ በሎ።
   7ሽዑ ናታን ንዳዊት በሎ፡ እቲ ሰብኣይ እቲ ንስኻ ኢኻ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንጉስ ክትከውን ኣነ ቐባእኩኻ፡ ካብ ኢድ ሳኦልውን ኣድሓንኩኻ። 8ቤት ጐይታኻ ድማ ሃብኩኻ፡ ኣነስቲ ጐይታኻውን ኣብ ሕቑፍኻ ኣንበርኩልካ፡ ቤት እስራኤልን ይሁዳን ድማ ሃብኩኻ። እዚ እንተ ውሒዱ ኸኣ፡ ከምኡ ኻልእ ምወሰኽኩልካ ነይረ። 9ስለምንታይ ኢኻ እቲ ኣብ እግዚኣብሄር ክፉእ ኰይኑ እተራእየ ኽትገብርሲ፡ ቃሉ ዝነዓቕካ፡ ንኡርያ ሔታዊ ብሴፍ ቀቲልካስ፡ ንሰበይቱ ሰበይትኻ ኽትከውን ወሰድካያ። ንእኡ ግና ብሴፍ ደቂ ዓሞን ቀተልካዮ። 10እምበኣርስኸ ስለ ዝነዓቕካኒ፡ ንሰበይቲ ኡርያ ሔታዊ ድማ ሰበይትኻ ኽትከውን ስለ ዝወሰድካያ፡ ሴፍ ካብ ቤትካ ንዘለኣለም ኣየግልስን። 11እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እንሆ ካብ ቤትካ ኽፉእ ከተንስኣልካ እየ፡ ነንስትኻ ኣብ ቅድሜኻ ወሲደ ንብጻይካ ኽህቦ እየ፡ ንሱ ኸኣ ምስተን ኣንስትኻ፡ ኣብ ቅድሚ እዛ ጸሓይ እዚኣኽድቅስ እዩ። 12ንስኻ ብስዉር ጌርካዮ ኢኻ እሞ፡ ኣነ ግና ነዚ ነገር እዚ ኣብ ቅድሚ ብዘሎ እስራኤልን ኣብ ቅድሚ ጸሓይን ክገብሮ እየ።
   13ሽዑ ዳዊት ንናታን፡ ንእግዚኣብሄር በደልኩ፡ በሎ። ናታን ድማ ንዳዊት፡ እግዚኣብሄር ከኣ በደልካ ኣርሒቑልካ እዩ፡ ኣይትመውትን ኢኻ። 14ግናኸ በዚ ነገር እዚ ንጸላእቲ እግዚኣብሄር ኣዚኻ መላገጺ ስለ ዝሃብካዮም፡ እቲ ተወሊዱልካ ዘሎ ወዲ ርግጽ ከመውት እዩ፡ በሎ። 15ናታን ከኣ ናብ ቤቱ ኸደ። ነቲ ሰበይቲ ኡርያ ንዳዊት ዝወለደትሉ ቘልዓ ድማ እግዚኣብሄር ወቕዖ እሞ ኣዝዩ ተወጽዐ። 16ሽዑ ዳዊት ምእንቲ እቲ ቘልዓ ናብ ኣምላኽ ጸለየ፡ ዳዊት ከኣ ጾም ጾመ፡ ኣትዩ ድማ ኣብ ምድሪ በጥ ኢሉ ሓደረ። 17እቶም ዓበይቲ ቤቱ ኸኣ ካብ ምድሪ ኸተንስእዎ ኢሎም ቈሙ። ንሱ ግና ኣይፈተወን፡ እንጌራውን ምሳታቶም ኣይበልዐን። 18ኰነ ድማ፡ በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ እቲ ሕጻን ሞተ፡ እቶም ገላዉ ዳዊት ከኣ፡ እንሆ፡ እቲ ሕጻን ብህይወቱ ኸሎ ተዛሪብካዮ እኳ ቓልና ዘይሰምዐስ፡ ከመይ ኢልና ደኣ፡ እቲ ሕጻን ሞይቱ፡ ክንብሎ ኢና፡ ገለ ኽፉእ ከይገብር ኢሎም እቲ ሕጻን ከም ዝሞተ ኸይነግርዎ ፈርሁ። 19ዳዊት ግና እቶም ገላዉኡ ነሓድሕዶም ሕሹኽሹዂ ከብሉ ምስ ረኣየ፡ እቲ ሕጻን ከም ዝሞተ ኣስተውዓለ። ዳዊት ከኣ ነቶም ገላዉኡ፡ እቲ ሕጻንዶ ሞይቱ፡ በሎም። ንሳቶም ከኣ ሞይቱ፡ በሉ። 20ሽዑ ዳዊት ካብ ምድሪ ተንሲኡ፡ ተሓጽበን ተለኽየን፡ ክዳውንቱ ድማ ለወጠ፡ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣትዩ ኸኣ ሰገደ። ናብ ቤቱ መጺኡውን ዝብላዕ ደለየ፡ እንጌራ ድማ ኣቕረቡሉ እሞ በልዐ። 21ሽዑ እቶም ገላዉኡ፡ እዚ እትገብሮ ዘሎኻ ነገር እንታይ እዩ፡ እቲ ሕጻን ብህይወቱ ኸሎ ምእንታኡ ጾምካን በኸኻን፡ እቲ ሕጻን ምስ ሞተ ግና፡ ተንሲእካ እንጌራ በላዕካ፡ በልዎ። 22ንሱ ኸኣ፡ መን ይፈልጥ እግዚኣብሄር እንተ መሓረኒ፡ እቲ ሕጻን ድማ እንተ ሓወየ፡ ኢለ ነበርኩ እሞ፡ ስለዚ እቲ ሕጻን ገና ብህይወቱ ኸሎ፡ ጾምኩን በኸኹን። 23ሕጂ ኸኣ ንሱ ሞይቱ፡ ንምንታይ ኢለ እጸውም፡ ደጊምዶ ኸምልሶ ይከኣለኒ እዩ፡ ኣነ ናብኡ እኸይድ እምበር፡ ንሱስ ናባይ ኣይከምለስን እዩ፡ በለ።
   24ዳዊት ድማ ንሰበይቱ ባትሴባ እጸናንዓ፡ ናብኣ ኣትዩ ኸኣ ምስኣ ደቀሰ፡ ወዲ ድማ ወለደትሉ፡ ስሙ ኸኣ ሰሎሞን ኢሉ ሰመዮ፡ እግዚኣብሄር ድማ ፈተዎ። 25ብነብዪ ናታን ልኢኹ ኸኣ ምእንቲ እግዚኣብሄር ኢሉ ስሙ የዲድያ ሰመዮ።
   26ዮኣብ ድማ ንራባ ናይ ደቂ ዓሞን፡ ተዋግኣ፡ ነታ ከተማ ንጉስ ከኣ ወሰዳ። 27ዮኣብ ድማ ናብ ዳዊት ልኡኽ ሰዲዱ፡ ንራባ ተዋጊኣያ፡ ነታ ኸተማ ማይውን ሒዘያ። 28ሕጂ ኸኣ፡ ነዛ ኸተማ ኣነ ምእንቲ ኸይሕዛ እሞ፡ ስመይ ኣብኣ ኸይጽዋዕሲ፡ ነቲ ዝተረፈ ህዝቢ ኣኪብካ ነዛ ኸተማ ኽበባ፡ ሓዛ ድማ፡ በሎ። 29ዳዊት ከኣ ንብዘሎ ህዝቢ ኣኽቲቱ ናብ ራባ ገስገሰ እሞ፡ ተዋጊኡ ሓዛ። 30ንዘውዲ ንጉሶም ከኣ ካብ ርእሱ ወሰዶ፡ ሚዛኑ ድማ ሓደ መኽሊት ወርቂ ነበረ፡ ክቡር ኣዕናቑ ከኣ ነበሮ፡ ኣብ ርእሲ ዳዊት ድማ ገበርዎ። ካብታ ኸተማ ኸኣ ኣዝዩ ብዙሕ ምርኮ ኣውጽኣ። 31ነቶም ኣብ ውሽጣ ዝነበሩ ህዝቢውን ኣውጺኡ ኣብ ትሕቲ መጋዛትን ሰረገላታት ሓጺንን ምሳውርቲ ሓጺንን ገበሮም፡ ናብ ናይ ጡብ እቶን ከኣ ኣሕለፎም። ንዂለን ከተማታት ደቂ ዓሞን ድማ ከማኡ ገበረ። ድሕርዚ ዳዊትን ብዘሎ እቲ ህዝብን ናብ የሩሳሌም ተመልሱ።

         2ይ ሳሙኤል  ምዕራፍ 13 

   1ድሕርዚ ኸኣ ዀነ፡ ንኣቤሴሎም ወዲ ዳዊት ታማር ዝስማ መልክዐኛ ሓብቲ ነበረቶ፡ ኣምኖን ወዲ ዳዊት ከኣ ኣፍቀራ። 2ንሳ ድንግል ነበረት እሞ፡ ኣምኖን ገለ ኽገብራ ኸም ዘይከኣሎ፡ ስለ እተራእዮ፡ ኣምኖን ብምኽንያት ሓብቱ ታማር ክሳዕ ዝሓምም ሓሳቡ ኣዕገርገሮ። 3ኣምኖን ድማ ዮናዳብ ዝስሙ፡ ወዲ ሺምዓ ሓው ዳዊት፡ ፈታዊ ነበሮ። ዮናዳብ ከኣ ኣዝዩ ብልሂ ሰብኣይ ነበረ። 4ንሱ ድማ፡ ኣታ ወዲ ንጉስ፡ ካብ መዓልቲ ንመዓልቲ ኸምዚ እትዓብር፡ እንታይ ኴንካ ኢኻ፡ ኣይትነግረንንዶ፡ በሎ። ኣምኖን ከኣ፡ ኣነስ ብፍቕሪ ታማር ሓብቲ ሓወይ ኣቤሴሎም እየ፡ በሎ። 5ዮናዳብ ድማ በሎ፡ ሓሚመ ኢልካ ኣብ ዓራትካ ደቅስ፡ ኣቦኻ ኽርእየካ ኢሉ ምስ መጸ ኸኣ፡ በጃኻ፡ ሓብተይ ታማር እንጌራ ኽትህበኒ ትምጻእ፡ ነቲ ብልዒ ድማ፡ ምእንቲ ኽርእዮስ፡ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ተዳልዎ፡ ብኢዳ ኸኣ ከተብልዓኒ፡ በሎ። 6ኣምኖን ድማ ሓሚመ ኢሉ ደቀሰ። ንጉስ ንኣምኖን ከርእዮ ኢሉ ምስ መጸ ኸኣ፡ ኣምኖን ንንጉስ፡ በጃኻ፡ ታማር ሓብተይ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ክልተ ቕጫ ኽትገብረለይ፡ ብኢዳ ድማ ክበልዕሲ ትምጻኣኒ፡ በሎ።
   7ሽዑ ዳዊት ናብ ቤት ናብ ታማር ልኢኩ፡ በጃኺ፡ ናብ ቤት ኣምኖን ሓውኩ ኪዲ እሞ ዝብላዕ ግበርሉ፡ በላ። 8ታማር ከኣ ናብ ቤት ኣምኖን ሓዋ ኸደት፡ ንሱ ድማ ደቂሱ ነበረ። ንሳ ኸኣ ብሑቑ ወሲዳ ኣቘምጢዓ፡ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ድማ ቅጫታት ገይራ ነቲ ቕጫታት ኣብሰለቶ። 9ነቲ መቑሎ ወሲዳ ኸኣ ናብ ቅድሚኡ ገልበጠቶ።ንሱ ግና ምብላዕ ኣበየ። ኣምኖን ድማ፡ ኲሉ ሰብ ካባይ ኣውጽኡለይ፡ በለ። ኲሉ ሰብ ከኣ ካብኡ ወጸ። 10ኣምኖን ድማ ንታማር፡ እቲ ብልዒ ብኢድኪ ኽበልዕሲ፡ ናብ ሕልፍኚ፡ ኣእትውዮ፡ በላ። ታማር ከኣ ነቲ ዝገበረቶ ቕጫ ወሲዳ ናብ ሕልፍኚ፡ ናብ ሓዋ ኣምኖን ኣእተወቶ። 11ከበልዕ ምስ ቀረበትሉ ድማ ቀጥ ኣቢሉ ሒዙ፡ ሓብተይ፡ ንዒ ምሳይ ደቅሲ፡ በላ። 12ንሳ ኸኣ፡ ኣይፋልካን ሓወየ፡ ኣይተነውረኒ፡ ከምዚ ዝበለ ኣብ እስራኤል ኣይግበርን እዩ እሞ፡ ነዚ ዕሽነት እዝስ ኣይትግበሮ። 13ነዚ ነውረይ ተሰኪመኸ ኣነ ናበይ ክኸይድ እየ፡ ንስኻውን ከም ሓደ ኻብቶም ኣብ እስራኤል ዘለዉ ዓያሱ ኽትከውን ኢኻ። ሕጂ ኸኣ፡ በጃኻ፡ ንጉስ ንኣይ ኣይኸልኣካን እዩ እሞ፡ ንእኡ ንገሮ፡ በለቶ። 14ንሱ ግና ዘረባኣኽሰምዕ ኣይፈተወን፡ ካብኣ ሓይሉስ ዓመጻ፡ ምስኣ ድማ ደቀሰ። 15ድሕርዚ ኣምኖን ኣዝዩ ብዙሕ ጽልኢ ጸልኣ እሞ፡ ካብቲ ዘፍቀራ ፍቕሪ እቲ ዝጸልኣ ጽልኢ በዝሐ። ኣምኖን ድማ፡ ተንስኢ፡ ኪዲ፡ በላ። 16ንዳ ኸኣ፡ ንኣይ ብምስዳድካ ኻብቲ ቕድም ዝገበርካኒ እዚ ዝገደደ ኽፉእ እዚ ኣይትግበረኒ፡ በለቶ። ንሱ ግና ከሰምዓ ኣይፈተወን። 17ነቲ ዘገልግሎ ጊልያኡ ጸዊዑ ድማ፡ በጃኻ፡ ነዚኣ ኻባይ ንግዳም ኣውጽኣለይ፡ ድሕሪኣ ኸኣ ነቲ ማዕጾ ዕጸዎ፡ በሎ። 18ኣዋልድ ንጉስ ደናግል ከለዋ ኸምኡ ዝበለ ቐመውሽ ይኽደና ስለ ዝነበራ፡ ንሳ ኸኣ ወለል ዝብል ቀምሽ ተኸዲና ነበረት። ሽዑ እቲ ጊልያኡ ንግዳም ኣውጽኣ፡ ነቲ ማዕጾ ድማ ብድሕሪኣዓጸዎ። 19ታማር ድማ ሓመዂስቲ ኣብ ርእሳ ነስነሰት፡ ነቲ ነቲ ተኸዲናቶ ዝነበረት ወለል ዝብል ቀምሽ ከኣ ቀደደቶ፡ ክትከይድ ከላ ድማ፡ ኢዳ ኣብ ርእሳ ገይራ እናኣእወየት ከደት። 20ኣቤሴሎም ሓዋ ኸኣ፡ ኣምኖን ሓውኪዶ ምሳኺ ነይሩ እዩ፡ ሕጂ ግና ሓብተይ፡ ንሱ ሓውኪ እዩ፡ ስቕ በሊ፡ ነዚ ነገር እዚ ኣብ ልብኺ ኣይትሓዝዮ፡ በላ። ታማር ድማ ብጒህይታ ኣብ ቤት ኣቤሴሎም ሓዋ ተቐመጠት። 21ንጉስ ዳዊት ግና፡ እዚ ነገር እዚ ዂሉ ምስ ሰምዐ፡ ኣዝዩ ተናደደ። 22ኣቤሴሎም ከኣ ኣምኖን ንታማር ሓብቱ ስለ ዝዓመጻ፡ ጸሊእዎ ነበረ እሞ፡ ኣቤሴሎም ንኣምኖን ጽቡቕ ኰነ ወይ ክፉእ ኣይተዛረቦን።
   23ኰነ ድማ፡ ኣቤሴሎም ድሕሪ ኽልተ ዓመት ኣብ ጥቓ ኤፍሬም ኣብ ዘላ በዓልሓጾር ቈረጽቲ ኣባጊዕ ነበርዎ። ኣቤሴሎም ከኣ ንዅሎም ደቂ ንጉስ ዓደሞም። 24ኣቤሴሎም ድማ ናብ ንጉስ መጺኡ፡ በጃኻ፡ ንጉስን ገላዉኡን ምስ ጊልያኻ ይኺዱ፡ በሎ። 25ንጉስ ከኣ ንኣቤሴሎም፡ ኣይፋልካን ወደይ፡ ከይንኸብደካ ዂላትናስ ኣይንኸይድን ኢና፡ በሎ። ግዲ ኸኣ በሎ። ንሱ ግና መረቖ ደኣ እምበር፡ ከኸይድሲ ኣይፈተወን። 26ሽዑ ኣቤሴሎም፡ እዚ እንተ ዘይኰነስ፡ በጃኻ፡ ኣምኖን ሓወይ ምሳና ይኺድ፡ በሎ። ንጉስ ድማ፡ ስለምንታይ እዩ ምሳኻ ዝኸይድ፡ በሎ። 27ኣቤሴሎም ግና ግዲ በሎ፡ ሽዑ ንኣምኖንን ንዂሎም ደቂ ንጉስን ምስኡ ይኺዱ ሓደጎም።
   28ኣቤሴሎም ድማ ንገላዉኡ፡ ርኣዩ፡ ልቢ ኣምኖን ብወይኒ ምስ ተሓጐሰ፡ ሽዑ ኣስተብህሉ፡ ኣነ ንኣምኖን ቅተልዎ፡ ምስ በልኩኹም ከኣ፡ ኣይትፍርሁ፡ ቅተልዎ፡ ኣነ ደይኰንኩን ዝእዝዘኩም ዘሎኹ፡ ጽንዑ፡ ሓያላት ድማ ኹኑ፡ በሎም። 29ገላዉ ኣቤሴሎም ዝኣዘዞም ገበርዎ። ሽዑ እቶም ደቂ ንጉስ ኲሎም ተንሲኦም፡ ነፍሲ ወከፍ በበቕሎም ሰሪሮም ሃደሙ። 30ኰነ ኸኣ፡ ገና ኣብ መገዲ ኸለዉ፡ ንዳዊት፡ ኣቤሴሎም ንዂሎም ደቂ ንጉስ ሓደ እኳ ኸይተረፈ ቐቲልዎም፡ ዝብል ወረ መጸ። 31ሽዑ ንጉስ ተንሲኡ ኽዳኑ ቐደደ፡ ኣብ ምድሪ ድማ ወደቐ። ኲሎም ገላዉኡ ኸኣ ክዳውንቶም ቀዲዶም ምስኡ ደው በሉ። 32ዮናዳብ፡ ወዲ ሺምዓ ሓው ዳዊት፡ ግና ከምዚ ኢሉ ተዛረበ፡ እዝስ ካብታ ኣምኖን ንሓብቱ ታማር ዝዓመጸላ መዓልቲ ጀሚሩ ብኣፍ ኣቤሴሎም ተመዲቡ ዝነበረ እዩ እሞ፡ ኣምኖን ጥራይ እዩ ዝሞተ እምበር፡ ኲሎም እቶም ኣጒባዝ ደቂ ንጉስ ከም ዝሞቱስ፡ ጐይታይ ኣይበል። 33እምበኣርሲ ሕጂ ጐይታይ ንጉስ፡ ኣምኖን ጥራይ እዩ ዝሞተ እምበር፡ ኲሎም ደቂ ንጉስ ሞይቶም ኢሉ፡ ነዚ ነገር ኣዚ ኣብ ልቡ ኣየንብሮ፡ በሎ።
   34ኣቤሴሎም ግና ሃደመ። እቲ ዝጥምቶ ዝነበረ ጐበዝ ኣዒንቱ ቛሕ እንተበለ ድማ፡ እንሆ፡ በታ ብድሕሪኡ ብሸነኽ ከረን ዘላ መገዲ ኣቢሉ ብዙሕ ህዝቢ ኽመጽእ ረኣየ። 35ዮናዳብ ከኣ ንንጉስ፡ ደቂ ንጉስኪ እነዉ፡ ይመጹ ኣለዉ፡ ከምቲ ጊልያኻ ዝበሎ፡ ከምኡ ዀነ፡ በሎ። 36ኰነ ድማ፡ ዘረባኡ ምስ ወድኣ፡ እነዉ እቶም ደቂ ንጉስ ኣተዉ፡ ቃሎም ዓው ኣቢሎም ከኣ በኸዩ። ንጉስን ኲሎም ገላዉኡን ድማ ኣዝዩ ብርቱዕ ብኽያት በኸዩ። 37ኣቤሴሎም ግና ሃዲሙ ናብ ታልማይ፡ ወዲ ዓሚሑር ንጉስ ጌሹር፡ ከደ። ዳዊት ከኣ ንወዱ ዂሉ መዓልቲ ይሓዝነሉ ነበረ።
   38ኣቤሴሎም ከኣ ሃዲሙ ናብ ጌሹር ከደ፡ ኣብኣ ኸኣ ስለስተ ዓመት ነበረ። 39ንጉስ ዳዊት ድማ ብዛዕባ ሞት ኣምኖን ስለ እተደበሰ፡ ናብ ኣቤሴሎም ምውጻእ ሓደጎ።

         2ይ ሳሙኤል  ምዕራፍ 14            

   1ዮኣብ ወዲ ጽሩያ ድማ ልቢ ንጉስ ናብ ኣቤሴሎም ኣቢሉ ኸም ዝዘንበለ ፈለጠ። 2ዮኣብ ከኣ ናብ ተቆዓ ልኢኹ ኻብኣ ብልሂ ሰበይቲ ወሰደ እሞ፡ በጃኺ፡ ሕዘኒ፡ ክዳን ሓዘንውን ተኸደኒ፡ በጃኺ፡ ዘይቲ ድማ ኣይትለኸዪ፡ ብምዉት ነዊሕ ዘበን ከም ዝሓዘነት ሰበይቲ ደኣ ኹኒ። 3ናብ ንጉስ ኣቲኺ ኸኣ ከምዚ ዝበለ ነገር ተዛረብዮ፡ ኢሉ ዮኣብ ነቲ ዘረባ ኣብ ኣፋ ኣንበሮ። 4እታ ተቆዓዊት ሰበይቲ ድማ ንንጉስ ተዛረበቶ፡ ብገጻ ናብ ምድሪ ተደፊኣ ኸኣ ፍግም በለት፡ ዎ ንጉስ፡ ርድኣኒ፡ ድማ በለቶ። 5ንጉስ ከኣ፡ እንታይ ኴንኪ ኢኺ፡ በላ። ንሳ ድማ በለት፡ ብሓቂ ኣነ ሰብኣየይ ዝሞተኒ መበለት ሰበይቲ እየ። 6ገረድካ ኸኣ ክልተ ወዲ ነበሩኒ፡ ንሳቶም ኣብ ማእከሎም ኰይኑ ዝፈላልዮም ኣብ ዘይብሉ መሮር ተበኣሱ እሞ፡ እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ወቒዑ ቐተሎ። 7እንሆ ኸኣ፡ ንገረድካ ብዘለዉ ዓሌቱ ተንሲኦም፡ ነዚ ቐታል ሓዉ፡ ምእንቲ እታ ዝቐተላ ነፍሲ ሓዉ ኽንቀትሎ፡ ነቲ ወራስስ ከነጥፍኦ ሃብና፡ ይብሉ ኣለዉ። ከምኡ ነቲ ተሪፉኒ ዘሎ እያድ የጥፍኡ፡ ንሰብኣየይ ከኣ ስም ኰነ ተረፍ ኰነ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኣይሓድጉሉን። 8ሽዑ ንጉስ ነታ ሰበይቲ፡ ንቤትኪ ኺዲ፡ ኣነ ድማ ብዛዕባኺ ኽእዝዝ እየ፡ በላ። 9እታ ተቆዓዊት ሰበይቲ ኸኣ ንንጉስ፡ ጐይታይ ንጉስ፡ እቲ ኣበሳ ኣብ ልዕለይን ኣብ ልዕሊ ቤት ኣቦይን ይኹን፡ ንጉስ ምስ ዝፋኑ ግና ንጹህ ይኹን፡ በለቶ። 10ንጉስ ድማ፡ ነዚ ዝዛረበኪ ናባይ ኣምጽእዮ፡ መሉሱ ኸኣ ኣይትንክየክን እዩ፡ በላ። 11ንሳ ድማ፡ በጃኻ፡ እቲ ፈዳይ ደም ምጥፋእ ከየብዝሕ እሞ ንወደይ ከይቀትሎስ፡ ንጉስ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ይዘክር፡ በለቶ። ንሱ ድማ፡ ካብ ወድኺ ሓንቲ ጸጒሪ እኳ ኣብ ምድሪ ኸም ዘይትወድቕ፡ ህያው እግዚኣብሄር እዩ፡ በላ። 12ሽዑ እታ ሰበይቲ፡ በጃኻ፡ ገረድካ ንጐይታይ ንጉስ ሓደ ነገር ትዛረቦ፡ በለት። ንሱ ኸኣ፡ ተዛረቢ፡ በለ። 13እታ ሰበይቲ ድማ በለት፡ ስለምንታይከ ንህዝቢ ኣምላኽ ከምዚ ሓሰብካሉ፡ ንጉስ ነቲ ኻብኡ እተሰጐ ኸይመልሶስ፡ እዚ ነገር እዚ ብምዝራቡ ንጉስ ከም በዳሊ እዩ። 14ግዲ ኽንመውት ኢና እሞ፡ ከምቲ ኣብ ምድሪ ዝፈሰሰ ዘይሕፈስ ማይ ኢና። ኣምላኽ ድማ ንነፍሲ ኣይወስድን፡ ግናኸ እቲ እተሰጐ ኻብኡ ኸይድርበ ኣጸቢቑ ይሓስብ እዩ። 15ሕጂ ኸኣ እቲ ህዝቢ ስለ ዘፍርሃኒ እየ፡ እዚ ነገር እዚ ንጐይታይ ንጉስ ክዛረብ ኢለ ዝመጻእኩ። ገረድካ ኸኣ፡ ንንጉስ ደኣ ኽዛረቦ፡ ንጉስ ምናልሽ ዘረባ ገረዱ ይገብሮ ይኸውን፡ በለት። 16ካብ ኢድ እቲ ንኣይን ንወደይን ካብ ርስቲ ኣምላኽ ከጥፍኣኒ ዝደሊ ዘሎ ሰብኣይ ከኣ ንጉስ ንገረዱ ንምድሓን ከሰምዕ እዩ። 17ገረድካ ድማ ጐይታይ ንጉስ ጽቡቕን ክፉእን ንምስማዕ ከም መልኣኽ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ቃል ጐይታይ ንጉስ ከዕርፈኒ እዩ። እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸኣ ምሳኻ ይኹን፡ በለት። 18ሽዑ ንጉስ ነታ ሰበይቲ፡ በጃኺ፡ እዚ ኣነ ዝሓተኪ ነገር ኣይትሕብእለይ፡ ኢሉ መለሰላ። እታ ሰበይቲ ኸኣ፡ ጐይታይ ንጉስ ይዛረብ ደኣ፡ በለት። 19እቲ ንጉስ ድማ፡ በዚ ዂሉስ ኢድ ዮኣብከ ምሳኺዶ የሎን፧ በለ። እታ ሰበይቲ ኸኣ ከምዚ ኢላ መለሰት፡ ጐይታይ ንጉስ፡ ህይወት ነፍስኻ፡ ጊልያኻ ዮኣብ ንሱ ኣዚዙኒ እዩ፡ እዚ ዂሉ ነገር  እዚውን ንሱ ኣብ ኣፍ ገረድካ ኣንቢርዎ እዩ እሞ፡ ካብቲ ጐይታይ ንጉስ እተዛረቦ ዂሉ ሓደ እኳ ንየማን ኰነ ንጸጋም ዘይብል የልቦን። 20ገጽ እዚ ነገር እዚ ገበረ። ጐይታይ ከኣ ነቲ ኣብ ምድሪ ዝግበር ዘበለ ንምፍላጥ ከም ጥበብ መልኣኽ ኣምላኽ ጥበበኛ እዩ።
21ሽዑ ንጉስ ንዮኣብ፡ እንሆ፡ ሕጂ እዚ ነገር እዚ ገበርኩ፡ ኪድ እሞ ነቲ መንእሰይ፡ ንኣቤሴሎም፡ ምለሶ፡ በሎ። 22ዮኣብ ድማ ብገጹ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ፍግም በለ፡ ንንጉስ ከኣ መረቖ፡ ዮኣብ ድማ፡ ጐይታይ ንጉስ፡ ንጉስ ዘረባ ጊልያኡ ብምግባሩ፡ ጊልያኻ ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ ከም ዝረኸበ፡ ሎሚ ፈለጠ፡ በለ። 23ዮኣብ ከኣ ተንሲኡ ናብ ጌሹር ከደ፡ ንኣቤሴሎም ድማ ናብ የሩሳሌም ኣምጽኦ። 24ንጉስ ከኣ፡ ናብ ቤቱ ይኺድ፡ ገጸይ ግና ኣይርኣ፡ በለ። ኣቤሴሎም ከኣ ናብ ቤቱ ኸደ፡ ገጽ ንጉስ ከኣ ኣይረኣየን።
25ኣብ ብዘሎ እስስራኤል ድማ ከም ኣቤሴሎም ገይሩ ውቃቤኡ ኣዝዩ እተናእደ ሰብ ኣይነበረን፡ ካብ ከብዲ እግሩ ኽሳዕ መንበስበስታ ርእሱ ገለ እንታ ኣይነበሮን። 26እቲ ጸጒሪ ርእሱ ድማ ይኸብዶ ነበረ እሞ፡ ቈረጾ ድማ ነቲ ጸጒሪ ርእሱ መዘኖ፡ ብሚዛን ንጉስ ከኣ ክልተ ሚእቲ ሲቃል ኰነ። 27ንኣቤሴሎም ድማ ሰለስተ ወድን ታማር ዝስማ ሓንቲ ጓልን ተወልዱሉ፡ ንሳ ትርኢታ ውቅብቲ ሰበይቲ ነበረት።
28ኣቤሴሎም ከኣ፡ ገጽ ንጉስ ከይረኣየ፡ ኣብ የሩሳሌም ክልተ ዓመት ተቐመጠ። 29ኣቤሴሎም ድማ ናብ ንጉስ ከሰዶ ደልዩ ንዮኣብ ለኣኸሉ። ንሱ ግና ናብኡ ኽመጽእ ኣይፈተወን። መሊሱ ድማ ካልኣይ ሳዕ ለኣከሉ፡ ንሱ ግና ከመጽእ ኣይፈተወን። 30ሽዑ ንገላዉኡ፡ ርኣዩ፡ ዮኣብ ኣብ ጥቓ እታ ናተይ ግራት ኣላቶ፡ ኣባ ድማ ስገም ኣለዎ እሞ፡ ከድኩም ሓዊ ምለሱሉ፡ በሎም። እቶም ገላዉ ኣቤሴሎም ከኣ ነታ ግራት ሓዊ መለሱላ። 31ሽዑ ዮኣብ ተንሲኡ ንኣቤሴሎም ናብ ቤቱ መጾ እሞ፡ እዞም ገላዉኻ ንግራተይ ሓዊ ዝመለሱላ ስለምንታይ እዩ፡ በሎ። 32ኣቤሴሎም ድማ ንዮኣብ፡ ስለምንታይ ደኣ ኻብ ጌሹር መጻእኩ፡ ንኣይሲ ገና ኣብኡ እንተ ዝህሉ ምሐሸኒ ነይሩ። ሕጂ ኸኣ ገጽ ንጉስ ክርኢ እደሊ ኣሎኹ፡ ኣበሳ ተረኺቡኒ እንተ ዀይኑ ድማ ይቕተለኒ፡ ክትብለለይ፡ እንሆ፡ ናብ ንጉስ ክሰደካ፡ ንዓ ናብዚ ኢለ ለኣኽኩልካ፡ በሎ። 33ዮኣብ ከኣ ናብ ንጉስ ኣትዩ እዚ ነገሮ። ንኣቤሴሎም ድማ ጸውዖ፡ ንሱ ኸኣ ናብ ንጉስ መጺኡ፡ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ብገጹ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ፍግም በለ። እቲ ንጉስ ከኣ ንኣቤሴሎም ሰዓሞ።

         2ይ ሳሙኤል  ምዕራፍ 15            

   1ድሕርዚ ኸኣ ዀነ፡ ኣቤሴሎም ሰረገላን ኣፍራስን ቀቅድሚኡ ዝጐዩ ሓምሳ ሰብኣይን ገበረ። 2ኣቤሴሎም ድማ ኣንጊሁ ተንሲኡ ኣብ ጥቓ መገዲ እታ ደገ ደው ይብል ነበረ። ኰነ ድማ፡ ባእሲ ዝነበሮ እሞ ከፍረድ ኢሉ ናብ ንጉስ ንዝመጸ ዘበለ ሰብ፡ ኣቤሴሎም ናብኡ ጸዊዑ፡ ንስኻ ኻብ ኣየናይ ከተማ ኢኻ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ጊልያኻ ኻብ ሓደ ነገድ እስራኤል እዩ፡ በለ። 3ኣቤሴሎም ድማ፡ ርአ፡ ነገርካስ ጽቡቕን ቅኑዕን ነይሩ፡ ግናኸ ካብ ንጉስ እተኣዘዘ ዝሰምዓካ ደኣ የልቦን፡ ይብሎ ነበረ። 4ኣቤሴሎም ከኣ፡ ነፍሲ ወከፍ ባእሲ ወይ ዝፍረድ ነገር ዘለዎ ሰብ ናባይ ከመጽእ እሞ ሓቂ ኽፈርደሉስ፡ ኣብዛ ሃገር እሞ መን ፈራዲ ይገብረኒ፡ ይብል ነበረ። 5ኰነ ድማ፡ ከሰግደሉ ኢሉ ንዝቐረቦ ሰብ ኢዱ ዘርጊሑ ሒዙ ይስዕሞ ነበረ። 6ኣቤሴሎም ከኣ ናብ ንጉስ ከፍረድ ኢሉ ንዝመጸ ዂሉ እስራኤል ከምዚ ነገር እዚ ይገብረሉ ነበረ። ኣቤሴሎም ከኣ ከምዚ እናገበረ ልቢ ሰብ እስራኤል ሰረቐ።
   7-8ኰነ ድማ፡ ኣብ መወዳእታ ኣርብዓ ዓመት ኣቤሴሎም ንንጉስ፡ ጊልያኻ እቲ ኣብ ጌሹር ናይ ሶርያ ኸሎኹ፡ እግዚኣብሄር ንየሩሳሌም ርግጽ እንተ ደኣ መሊሱንስ፡ ንእግዚኣብሄር ከገልግሎ እዩ፡ ኢለ መብጸዓ ተማባጺዐ ነይረ እየ እሞ፡ እቲ ንእግዚኣብሄር እተማባጻዕኩሉ መብጽዓ ኣብ ኬብሮን ክፍጽሞ ክኸይድ እልምነካ ኣሎኹ፡ በሎ። 9ንጉስ ከኣ፡ ብሰላም ኪድ፡ በሎ። ተንሲኡ ድማ ናብ ኬብሮን ከደ። 10ኣቤሴሎም ግና ናብ ኲሎም ነገዳት እስራኤል ሰለይቲ ልኢኹ፡ ደሃይ መለኸት ምስ ሰማዕኩም፡ ኣቤሴሎም ኣብ ኬብሮን ነጊሱ በሉ፡ በሎም። 11ምስ ኣቤሴሎም ድማ ክልተ ሚእቲ ዕዱማት ሰባት ካብ የሩስሌም ከዱ፡ ንሳቶም ከኣ ብዛዕባ እዚ ነገር እዚ ገለ ኸይፈለጡ፡ ብገርሆም ከዱ። 12ኣቤሴሎም መስዋእትታት ሕሩድ ከስውእ ከሎ ድማ፡ ልኢኹ ንኣሒቶፌል ጊሎናዊ፡ ናይ ዳዊት መኻሪ፡ ካብ ከተማኡ፡ ካብ ጊሎ ጸውዖ። እቲ ምምሕሓል ከኣ በርትዐ። እቲ ምስ ኣቤሴሎም ዝኸይድ ዝነበረ ህዝቢ ድማ እናበዝሐ ኸደ።
   13ሓደ ወረኛ ናብ ዳዊት መጺኡ ኸኣ፡ ልቢ ሰብ እስራኤል ደድሕሪ ኣቤሴሎም ስዒቡ እዩ በለ። 14ሽዑ ዳዊት ነቶም ምስኡ ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ዂሎም ገላዉኡ፡ ተንስኡ ንህደም፡ ካብ ቅድሚ ኣቤሴሎም መውጽኢ የብልናን እሞ፡ ቀልጢፉ ሓደጋ ኸይወድቀና፡ ክፉእ ድማ ከየምጽኣልና፡ ነዛ ኸተማውን ብስሕለት ሴፍ ከይወቕዓስ፡ ቀልጥፍ ንኺድ፡ በሎም። 15እቶም ገላዉ ንጉስ ከኣ ንንጉስ፡ ጐይታይ ንጉስ ዝደለዮ ዘበለ ዂሉ ንምግባር፡ እነዉ ገላዉኻ ተዳልዮም ኣለዉ፡ በልዎ። 16ንጉስ ድማ ወጸ፡ ብዘሎ ቤተ ሰቡውን ደድሕሪኡ ሰዓቦ። ግናኸ፡ ንጉስ ዓሰርተ ሰበይቲ ኣንስቲ ወሰኑ፡ ቤት ከሕልዋ ሓደገን። 17እቲ ንጉስ ወጸ፡ ብዘሎ እቲ ህዝቢ ኸኣ ሰዓቦ። ኣብ ቤት-መርሓቅ ድማ ደው በሉ። 18ኲሎም ገላዉኡ ኸኣ ጐጐቦኡ ሓለፋ፡ ኲሎም ጵለታውያንን ኲሎም ጋታውያንን ድማ፡ እቶም ካብ ጋት ስዒቦምዎ ዝነበሩ ሹድሽተ ሚእቲ ሰብ ቀቅድሚ ንጉስ ሓለፉ። 19ሽዑ ንጉስ ንኢታይ፡ እቲ ጋታዊ፡ ንስኻኸ ስለምንታይ ምሳና ትኸይድ ኣሎኻ፡ ተመለስ፡ ምስ ንጉስ ድማ ተቐመጥ፡ ንስኻስ እተማረኽካ ወሰንተኛ ኢኻ እሞ፡ ናብ ቦታኻ ተመለስ። 20ትማሊ መጺእካስ፡ ሎሚዶ ምሳና ዀለል ከብለካ፡ ኣነስ ናብቲ ዝኸዶ ክኸይድ እየ፡ ተመለስ ደኣ፡ ነሕዋትካውን ምለሶም፡ ምሕረትን ሓቅን ምሳኻ ይኹን፡ በሎ። 21ኢታይ ግና ንንጉስ፡ ህያው እግዚኣብሄር እዩ፡ ጐይታይ ንጉስውን ህያው እዩ፡ ኣብ ጐይታይ ንጉስ ዘለዋ ቦታ፡ ንሞት እንተ ዀይኑ ወይ ንህይወት፡ ጊልያኻ ድማ ኣብኣከኸውን እዩ፡ ኢሉ መለሰሉ። 22ዳዊት ከኣ ንኢታይ፡ ኪድ ተሳገር፡ በሎ። ኢታይ ጋታውን ኲሉ ሰቡን እቶም ምስኡ ዝነብሩ ዂሎም ቈልዑን ድማ ተሳገሩ። 23ብዘላ እታ ሃገር ከኣ ዓው ኢላ ትበኪ ነበረት፡ ብዘለዉ እቶም ህዝቢ ድማ ተሳገሩ። እቲ ንጉስ ከኣ ርባ ቄድሮን ተሳገረ፡ ብዘለዉ እቶም ህዝቢ ድማ ብመገዲ መረኻ ኣቢሎም ተሳገሩ።
   24እንሆ ኸኣ፡ ጻዶቅ ምስኡ ድማ ዂሎም ሌዋውያን ታቦት ኪዳን ኣምላኽ ጾይሮም መጹ። ነቲ ታቦት ኣምላኽ ክኣ ኣቐመጥዎ፡ ብዘሎ እቲ ህዝቢ ኻብ ከተማ ፈጺሙ ኽሳዕ ዝሳገር ድማ፡ ኣብያታር ደዪቡ ነበረ። 25ንጉስ ከኣ ንጻዶቅ፡ ንታቦት ኣምላኽ ናብ ከተማ ምለሶ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሞገስ እንተ ደኣ ረኺበስ፡ ክመልሰኒ እዩ፡ ንእኡን ንማሕደሩን ድማ ከርእየኒ እዩ፡ 26ኣይፈትወካን እንተ በለኒ ግና፡ እኔኹ፡ ባህ ከም ዝበሎ ይግበረኒ፡ በሎ። 27ንጉስ ድማ ንጻዶቅ ካህን፡ ንስኻ ረኣዪ ደይኰንካን፡ ብሰላም ናብ ከተማ ተመለሰ፡ ወድኻ ኣሒማዓጽን ዮናታን ወዲ ኣብያታርን ክልቲኦም ደቅኹም ድማ ምሳኻትኩም ይኺዱ። 28ርኣዩ፡ እቲ ወረ ዝነግረኒ ኻባኻትኩም ክሳዕ ዝመጽእ፡ ኣነ ኣብቲ ጐልጐል ምድረባዳ ኽጸንሕ እየ፡ በሎ። 29ሽዑ ጻዶቅን ኣብያታርን ንታቦት ኣምላኽ ናብ የሩሳሌም መለስዎ፡ ኣብኡ ኸኣ ተቐመጡ።
   30ዳዊት ድማ በቲ መደይቢ ደብረ ዘይቲ ደየበ። ከድይብ ከሎ ኸኣ በኸየ፡ ንሱ ድማ ርእሱ ተጐልቢቡ ብዘይ ሳእኒ ይኸይድ ነበረ። እቲ ምስኡ ዝነበረ ዂሉ ህዝቢ ኸኣ፡ ነፍሲ ወከፍ ርእሱ ተጐልቢቡ ደየበ፡ እናበኸየ ድማ ደየበ። 31ንዳዊት ከኣ፡ ኣሒቶፌል ኣብ መንጎ እቶም ተማሓሓልቲ ተሓዊሱ ምስ ኣቤሴሎም ኣሎ፡ ኢሎም ነገርዎ። ዳዊት ድማ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ንምኽሪ ኣሒቶፌል ናብ ዕሽነት ክትልውጦ፡ እልምነካ ኣሎኹ፡ በለ። 32ኰነ ኸኣ፡ ዳዊት ናብ ርእሲ እታ ንኣምላኽ ዝስገደላ ቦታ ምስ መጸ፡ እንሆ ድማ፡ ሑሳይ ብዓል ኣርኪ ኽዳኑ ቐዲዱ ሓመድ ከኣ ኣብ ልዕሊ ርእሱ ነስኒሱ ከቕበሎ መጸ። 33ዳዊት ድማ በሎ፡ ምሳይ እንተ ሓልፍካ፡ ክትከብደኒ ኢኻ። 34ግናኸ ናብ ከተማ እንተ ተመለስካ፡ ንኣቤሴሎም ከኣ፡ ዎ ንጉስ፡ ኣነ ጊልያኻ ክኸውን እየ፡ ቀደም ጊልያ ኣቦኻ ኸም ዝነበርኩ፡ ሕጂ ድማ ጊልያኻ ክኸውን እየ፡ እንተ በልካዮ፡ ሽዑ ንምኽሪ ኣሒቶፌል ከንቱ ኽትገብረለይ ኢኻ። 35እቶም ካህናት ጻዶቅን ኣብያታራን ኣብኡ ምሳኻዶ ኣየለዉን ከኸውን ድማ እዩ፡ እቲ ኣብ ቤት ንጉስ ዝሰማዕካዮ ዘበለ ነቶም ካህናት፡ ንጻዶቅን ንኣብያታርን፡ ክትነግሮም ኢኻ። 36እነዉ ኽልቲኦም ደቆም ኣሕማዓጽ ወዲ ጻዶቅን ዮናታን ወዲ ኣብያታርን ኣብኡ ምሳታቶም ኣለዉ። እትሰምዕዎ ዘበለ ዂሉ ነገር ድማ ብኣታቶም ጌርኩም ልኣኹለይ። 37ሑሳይ ፈታው ዳዊት ከኣ ናብ ከተማ ኣተወ፡ ኣቤሴሎም ድማ ናብ የሩሳሌም ኣተወ።
   1ዳዊት ድማ ካብ ርእሲ እቲ ኸረን ቅሩብ ምስ ሓለፈ፡ እንሆ ኸኣ፡ ጺባ ጊልያ መፊቦሸት ክልተ ሚእቲ እንጌራን ሚእቲ እሳር ዘቢብን ሚእቲ ጐጎ በለስን ሓደ ሓርቢ ወይንን እተጻዕና ኽልተ ኣድጊ ሒዙ ተቐበሎ። 2እቲ ንጉስ ድማ ንጺባ፡ እዚ ንምንታይ ኢልካዮ ኢኻ፡ በሎ። ጺባ ከኣ፡ እዘን ኣእዱግ ቤተ ሰብ ንጉስ ከውጥሕወን፡ እዚ እንጌራን ፍሬታትን ድማ እዞም ገላዉ ኽበልዕዎ፡ እዚ ወይኒ ኸኣ እቶም ኣብ በረኻ ዝደኽሙ ኽሰትዎ ኢለ እየ በለ። 3እቲ ንጉስ ድማ፡ ወዲ ጐይታኻ ደኣ ኣበይ ኣሎ፧ በለ። ጺባ ኸኣ ንንጉስ፡ ንሱስ፡ ሎሚ ቤት እስራኤል፡ መንግስቲ ኣቦይ ክመልሱለይ እዮም፡ ኢሉ እዩ እሞ፡ ኣብ የሩሳሌም ተቀሚጡ ኣሎ፡ በሎ። 4ሽዑ ንጉስ ንጺባ፡ እንሆ፡ ናይ መፊቦሸት ዘበለ ዂሉ ንኣኻ እዩ፡ በሎ። ጺባ ድማ፡ ዎ ጐይታይ ንጉስ፡ ኢድ እነስእ ኣሎኹ፡ ኣብ ቅድሜኻ ደኣ ሞገስ እርከብ፡ በለ።
5ንጉስ ዳዊት ድማ ናብ ባሑሪም ምስ መጸ፡ እንሆ ኸኣ፡ ሺምዒ ዝስሙ ሰብኣይ፡ ወዲ ጌራ ኻብ ዓኤት ቤት ሳኦል፡ ካብኣ ወጸ። ንሱ ወጺኡ እናኸደ ይረግም ነበረ። 6እቶም ህዝብን እቶም ጀጋኑኡን ንንጉስ ብየማነ ጸጋሙ ዀይኖም ከለዉ፡ ንሱ ኣብ ዳዊትን ኣብ ኲሎም ገላዉ ንጉስ ዳዊትን ኣእማን ይድርቢ ነበረ። 7ሽምዒ እቲ ኽረግሞ ኸሎ ኸምዚ ይብሎ ነበረ፡ ኣታ ናይ ደም ሰብ፡ ኣታ ናይ ብልያል ሰብ፡ ውጻእ፡ ውጻእ። 8ነቲ ኣብ ክንዳኡ ንዝነገስካ ዂሉ ደም ቤት ሳኦል እግዚኣብሄር ናባኻ መለሰልካ። እግዚኣብሄር ነዛ መንግስቲ ንወድኻ ኣቤሴሎም ኣብ ኢዱ ሃቦ። ንስኻ ናይ ደም ሰብ ኢኻ እሞ፡ እንሆልካ ብኽፍኣትካ ተተሓዝካ። 9ኣቢሻይ ወዲ ጽሩያ ኸኣ ንንጉስ፡ እዚ ምዉት ከልቢ እዚ ስለምንታይ እዩ ንጐይታይ ንጉስ ዝጸርፎ ዘሎ፡ በጃኻ ኸይደ ርእሱ ክቘርጾ፡ በሎ። 10ንጉስ ግና፡ ኣቱም ደቂ ጽሩያ፡ ምሳኻትኩም ኰይነ ዝገብሮ እንታይ ኣሎኒ፡ እቲ ዝረግመኒ ዘሎስ፡ እግዚኣብሄር፡ ንዳዊት ርገም፡ ኢሉ ኣዚዝዎ እዩ እሞ፡ ስለምንታይ ከምዚ እትገብር፡ ዝብሎ መን እዩ፡ በለ። 11ዳዊት ድማ ንኣቢሻይን ንዂሎም ገላዉኡን፡ እንሆ፡ እቲ ኻብ ከርሰይ ዝወጸ ወደይ እኳ ንነፍሰይ ይደልያ ኣሎ፡ ከመይ ግዳ ሕጂ እዚ ብንያማዊ ወዲ ዝገደደ ዘይገብር። እግዚኣብሄር ኣዚዝዎ እዩ እሞ፡ ይርገም ሕደግዎ። 12እግዚኣብሄር ነዚ ወሪዱኒ ዘሎ ዓመጻ ርእዩስ፡ ኣብ ክንዲ እዚ ሎሚ ዝርገም ዘሎኹ ምናልባሽ ጽቡቕ እንተ መለሰለይ፡ በሎም። 13ዳዊትን ሰቡን ብመገደ መገዲ ይኸዱ ነበሩ፡ ሽምዒ ኸኣ ኣብ መንጽሩ ብጐቦ እቲ ኸረን ኣቢሉ ከኸይድ ከሎ እናረገሞ፡ እምኒውን እናደርበየሉ፡ ብሓመድ ከኣ እናገጨቦ ይኸይድ ነበረ። 14ንጉስ እቲ ምስኡ ዝነበረ ዂሉ ህዝብን ድማ ደኺሞም ናብኡ መጹ፡ ኣብኡ ኸኣ እተንፈሱ።
15ኣቤሴሎም እቲ ምስኡ ዝነበረ ዂሉ ህዝቢ ሰብ እስራኤልን ንየሩሳሌም ኣተዉ፡ ኣሒቶፌልውን ምስኡ ነበረ። 16ኰነ ድማ፡ ሑሻይ በዓል ኣርኪ፡ ፈታዊ ዳዊት ናብ ኣቤሴሎም ምስ መጸ፡ ሑሻይ ንኣቤሴሎም፡ ንጉስ ህያው ይኹን፡ ንጉስ ህያው ይኹን፡ በሎ። 17ኣቤሴሎም ከኣ ንሑሻይ፡ እቲ ንፈታዊኻ እትገብረሉ ሞጎስ እዚ ድዩ፡ ስለምንታይ ደኣ ምስ ፈታዊካ ዘይከድካ፡ በሎ። 18ሑሻይ ድማ ንኣቤሴሎም፡ ኣይፋለይን፡ ኣነስ ናይቲ እግዚኣብሄርን እዚ ህዝቢ እዝን ኲሎም ሰብ እስራኤልን ዝሓረይዎ እየ፡ ምስኡ ኸኣ እነብር። 19መሊሰ ደኣ ንመን ከገልግል እየ፡ ኣብ ቅድሚ ወዱ ክኸውን ደይኰንኩን፡ ከምቲ ኣብ ቅድሚ ኣቦኻ ዘገልገልኩ፡ ከምኡ ኸኣ ኣብ ቅድሜካ ክኸውን እየ፡ በሎ።
20ኣቤሴሎም ድማ ንኣሒቶፌል፡ እንታይ ከም እንገብር ምኽሪ ሃቡና፡ በሎ። 21ኣሒቶፌል ከኣ ንኣቤሴሎም፡ ነተን ቤት ክሕልዋ ዝሓደገንን ኣንስቲ ወሰን ኣቦኻ እተወን። ብዘሎ እስራኤል ድማ ኣብ ኣቦኻ ጽዩፍ ከም ዝዀንካ ይሰምዕ፡ ሽዑ ኣእዳው እቶም ምሳኻ ዘለዉ ዂሎም ከጸኖኣ እየን፡ በሎ። 22ንኣቤሴሎም ድማ ድንኳን ኣብ ናሕሲ ተኸሉሉ፡ ኣቤሴሎም ከኣ፡ ብዘሎ እስራኤል እንረኣየ፡ ናብተን ኣንስቲ ወሰን ኣቦኡ ኣተወ። 23በዚ ግዜ ኣሒቶፌል ዝመኽሮ ዝነበረ ሚኽሪ፡ ንቓል ኣምላኽ ከም ምጥያቕ ነበረ፡ ኲሉ ምኽሪ ኣሒቶፌል ዘበለ ምስ ዳዊት ኰነ ምስ ኣቤሴሎም ከምኡ ነበረ።

         2ይ ሳሙኤል  ምዕራፍ 17            

   1ኣሒቶፌል ድማ ንኣቤሴሎም በሎ፡ በጃኻ፡ ዓሰርተው ክልተ ሽሕ ሰብኣይ ሓርየስ ተንሲአ ሎሚ ለይቲ ደድሕሪ ዳዊት ክግስግስ። 2ሽዑ ደኺሙን ኣእዳዉ ዘርጋሕጋሕ ኢለን ከለዋን፡ ሓደጋ ወዲቐ ኸሰምብዶ። እቲ ምስኡ ዘሎ ህዝቢውን ይሃድም፡ ንንጉስ በይኑ ኸኣ እቐትሎ፡ 3ንዂሉ ህዝቢ ድማ ናባኻ እመልሶ፡ እቲ ንስኻ እትደልዮ ዘሎኻ ሰብኣይሲ ዂሎም ከም እተመልሱ እዩ፡ ሽዑ ንዅሉ ህዝቢ ሰላም ይኸውን። 4እዚ ዘረባ እዚ ንኣቤሴሎምን ንዂሎም ዓበይቲ እስራኤልን ባህ ኣበሎም። 5ኣቤሴሎም ግና፡ እስኪ ንሑሻይ ብዓል ኣርኪ ኸኣ ጸውዕዎ፡ ንሱ ዝብሎ ድማ ክንሰምዕ፡ በለ። 6ሑሻይ ናብ ኣቤሴሎም ምስ መጸ ኸኣ፡ ኣቤሴሎም፡ ኣሒቶፌል ከምዚ ዝበለ ነገር ተዛሪቡ ኣሎ፡ ነቲ ዘረባኡስ ንግበሮዶ፡ እንተ ዘይኰነስ ንስኻ ተዛረብ፡ በሎ። 7ሑሻይ ከኣ ንኣቤሴሎም፡ ኣሒቶፌል በዚ ግዜ እዚ ዝመኽሮ ምኽሪ ጽቡቕ ኣይኰነን፡ በሎ። 8ሑሻይ ድማ መሊሱ በሎ፡ ኣቦኻን እቶም ሰቡን ከኣ ጀጋኑን ኣብ መሮር ኰራኲራ ኸም ዘግደፍዋ ዝብኢ መረርቲ ነፍስን ከም ዝዀኑ፡ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ። ኣቦኻ ድማ ተዋጋኢ ሰብኣይ እዩ፡ ምስ ህዝቢ ኸኣ ኣይሓድርን። 9እንሆ ሕጂ እኳ ኣብ ሓደ ጒድጓድ ወይ ኣብ ሓደ ቦታ ተሓቢኡ ኣሎ። ከኸውን ድማ እዩ፡ ብመጀመርታ ኻባታቶም ገለ እንተ ወደቑ፡ እቲ ዝሰምዐ ዘበለ፡ እቲ ደድሕሪ ኣቤሴሎም ዝሰዓበ ህዝቢ ተሳዒሩ እዩ፡ ኽብል እዩ። 10ኣቦኻ ጅግና ኸም ዝዀነ፡ እቶም ምስኡ ዘለዉ ኸኣ ሓያላት ምዃኖም ብዘሎ እስራኤል ይፈልጥ እዩ እሞ፡ ሽዑ እቲ ኸም ልቢ ኣንበሳ ዝልቡ ጅግና እኳ ፈጺሙ ኽመክኽ እዩ። 11ስለዚ ኸም ሑጻ ባሕሪ ምእንቲ ኽበዝሕ፡ ብዘሎ እስራኢል ካብ ዳን ክሳዕ ብኤር-ሸባዕ ናባኻ ከኸትት፡ ባዕልኻውን ናብቲ ውግእ ክትከይድ፡ እመክር ኣሎኹ። 12ሽዑ ኣውሊ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኸም ዝወድቕ፡ ኣብ ሓንቲ ዝርከበላ ቦታ ንውደቆ። ካብኡን ካብቶም ምስኡ ዘለዉ ሰባትን ከኣ ሓደ እኳ ኣይነትርፍን። 13ናብ ሓንቲ ኸተማ እንተ ኣተወ ድማ፡ ሽዑ ብዘሎ እስራኤል ነታ ኸተማ እቲኣ በግማድ ይኸባ፡ ንእሽቶ እምኒ እኳ ኽሳዕ ዘይርከባ ድማ፡ ናብ ርባ ኽንስሕባ ኢና። 14ሽዑ ኣቤሴሎምን ብዘለዉ ሰብ እስራኤልን፡ ካብ ምኽሪ ኣሒቶፌልሲ ምኽሪ ሑሻይ ብዓል ኣርኪ ይበልጽ፡ በሉ። እግዚኣብሄር ንኣቤሴሎም ክፉእ ምእንቲ ኸምጽኣሉስ፡ እግዚኣብሄር ነቲ ጽቡቕ ምኽሪ ኣሒቶፌል ከዝርዝር ኣዚዙ ነበረ።
   15ሽዑ ሑሻይ ነቶም ካህናት፡ ንጻዶቅን ንኣቧታርም’ ኣሒቶፌል ንኣቤሴሎምን ነቶም ዓበይቲ እስራኤልን ከምዝን ከምዝን ኢለ መኸርኩ። 16እምበኣር ሕጂ፡ ንጉስን እቲ ምስኡ ዘሎ ዅሉ ህዝብን ምእንቲ ኸይወሓጡስ፡ ብዝዀነ ተሳገር እምበር፡ በዛ ለይቲ እዚኣ ኣብቲ መሳገሪታት በረኻ ኣይትሕደር፡ ኢሎም ንዳዊት ከነግርዎ፡ ቀልጢፍኩም ልኣኹሉ፡ በሎም። 17ዮናታንን ኣሒማዓጽን ድማ ኣብ ዔንሮጌል ደው ኢሎም ነበሩ፡ ናብ ከተማ ኣትዮም ክረኣዩ ኣይከኣሉን እሞ፡ ሓንቲ ገረድ ከይዳ ነገረቶም፡ ንሳቶም ድማ ናብ ንጉስ ዳዊት ከይዶም ነገርዎ። 18ግናከ ሓደ መንእሰይ ረኣዮም እሞ፡ ንኣቤሴሎም ነገሮ። ሽዑ ኽልቲኦም ቀልጢፎም ከዱ፡ ኣብ ባሑሪም ኣብ ቤት ሓደ ሰብኣይ ኣተዉ፡ ኣብ ደምቤኡ ድማ ዔላ ነበረቶ፡ ናብኣ ኸኣ ወረዱ። 19እታ ሰበይቱ ድማ፡ ሰብ ምእንቲ ኽይርእዮምሲ፡ ማእሲ ወሲዳ ኣብ ኣብ እታ ዔላ ዘርግሐት፡ ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ጒዱእ ስገም ሰጥሐት እሞ፡ ገለ ነገር ኣይተፈልጠን። 20ገላዉ ኣቤሴሎም ናብታ ቤት ናብታ ሰበይቲ መጺኦም ከኣ፡ ኣሒማዓጽን ዮናታንን ኣበይ ኣለዉ፡ በልዋ። እታ ሰበይቲ ድማ፡ ርባ ማይ ተሳጊሮም፡ በለቶም። ንሳቶም ከኣ ደለይዎም፡ ምስ ሰኣንዎም ድማ ናብ የሩሳሌም ተመልሱ። 21ኰነ ኸኣ፡ ንሳቶም ምስ ከዱ፡ እቲኣቶም ድማ ካብቲ ዔላ ወጺኦም ከይዶም ንንጉስ ዳዊት ነገርዎ። ንዳዊት ድማ፡ ኣሒቶፌል ከምዝን ከምዝን ኢሉ መኺሩልኩም እዩ እሞ፡ ተንሲእኩም ቀልጢፍኩም ነቲ ማይ ተሳገሩ፡ በልዎ። 22ሽዑ ዳዊትን እቲ ምስኡ ዝነበረ ዂሉ ህዝብን ተንሲኦም ዮርዳኖስ ተሳገሩ። ክሳዕ ብርሃን ወጋሕታ ድማ፡ ዮርዳኖስ ዘይተሳገረ ሓደ እኳ ኣይተረፈን።
   23ኣሒቶፌል ከኣ ነቲ ምኽሩ ኸም ዘይተገብረ ምስ ረኣየ፡ ኣድጉ ጽዒኑ፡ ተንሲኡ፡ ንኸተማኡ ናብ ቤቱ ኸደ። ቤቱ ኣስተናቢሩ ድማ ተሓኒቑ ሞተ። ኣብ መቓብር ኣቦኡ ኸኣ ተቐብረ። 24ዳዊት ድማ ናብ ማሓናይም መጸ። ኣቤሴሎም ከኣ፡ ንሱን ኲሎም ሰብ እስራኤልን ምስኡ ዮርዳኖስ ተሳገሩ። 25ኣቤሴሎም ከኣ ኣብ ክንዲ ዮኣብ ንዓማሳ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ሸሞ። ዓማሳ ድማ ወዲ ዪትራ ዝስሙ እስራኤላዊ ሰብኣይ ነበረ። ንሱ ኸኣ ንኣቢጋል ጓል ናሓሽ፡ ሓብቲ ጽሩያ ኣደ ዮኣብ፡ ኣትይዋ ነበረ። 26እስራኤልን ኣቤሴሎምን ድማ ኣብ ምድሪ ጊልዓድ ሰፈሩ።
   27ኰነ ኸኣ፡ ዳዊት ናብ ማሓናይም ምስ ኣተወ፡ ሾቢ ወዲ ናሓሽ ካብ ራባ ናይ ደቂ ዓሞን፡ ማኪር ወዲ ዓሚኤል ድማ ካብ ሎ-ድባር፡ ባርዚላይ ጊልዓዳዊ ኸኣ ካብ ሮግሊም፡ 28-29ንሳቶም፡ እቲ ህዝቢ ኣብ በረኻ ጠምዮን ደኺሙን ጸሚኡን እዩ ዘሎ፡ ኢሎም ነበሩ እሞ፡ ዓራውትን ጭሐሎታትን ኣቕሓ መሬትን ስርናይን ስገምን ሓርጭን ጥቡስ ሰዊትን ባልደንጓን ብርስንን ቈሎ ዓተርን መዓርን ርግኦን ኣባጊዕን ኣጅቦ ኣሓን ንዳዊትን ነቲ ምስኡ ዝነበረ ህዝብን ዝብላዕ ኣምጽኡሎም።

         2ይ ሳሙኤል  ምዕራፍ 18            

   1ዳዊት ድማ ነቲ ምስኡ ዝነበረ ህዝቢ ቘጺሩ፡ ኣብ ልዕሊኦም ሓላቑ ሽሕን ሓላቑ ሚእትን ሸመሎም። 2ዳዊት ከኣ ነቲ ህዝቢ፡ ሲሶኡ ኣብ ትሕቲ ኢድ ዮኣብ፡ ነቲ ሲሶኡ ድማ ኣብ ትሕቲ ኢድ ኣቢሻይ፡ ወዲ ጽሩያ ሓው ዮኣብ፡ ነቲ ሲሶውን ኣብ ትሕቲ ኢድ ኢታይ ጊታዊ ገይሩ ሰደዶ። እቲ ንጉስ ድማ ነቶም ህዝቢ፡ ኣነ ኸኣ ርግጽ ምሳኻትኩም ክወጽእ እየ፡ በሎም። 3እቶም ህዝቢ ግና፡ ንሕናስ እንተ ሃደምና፡ ብዛዕባና ኣይሓስቡን፡ ፈረቓና እንተ ሞትናውን፡ ብዛዕባና ኣይሓስቡን እዮም፡ ንስኻ ግና ክንዲ ዓሰርተ ሽሕና ኢኻ እሞ፡ ኣይትውጻእ። እምበኣርሲ ሕጂ ኣዳሊኻ ኻብ ከተማ ኽትረድኣና ይሓይሽ፡ በሉ። 4እቲ ንጉስ ከኣ፡ ጽቡቕ ኰይኑ እተራእየኩም እገብር፡ በሎም። ንጉስ ድማ ኣብ ጥቓ እታ ደገ ደው በለ፡ ኲሉ እቲ ህዝቢ ድማ በብሚእትታትን በብኣሽሓትን ኰይኖም ወጹ። 5እቲ ንጉስ ከኣ ንዮኣብን ንኣቢሻይን ንኢታይን፡ ምስ እቲ ጐበዝ፡ ምስ ኣቤሴሎም፡ ስለይ ኢልኩም ብቐስታ ግበርዎ፡ ኢሉ ኣዘዞም። እቲ ንጉስ ንዂሎም ሓላቑ ብናይ ኣቤሴሎም ነገር ከእዝዞም ከሎ፡ ብዘለዉ እቶም ህዝቢ ይሰምዑ ነበሩ።
   6እቲ ህዝቢ ኸኣ ንእስራኤል ከቃባበሎ ናብ መሮር ወጸ፡ እቲ ውግእ ድማ ኣብ ዱር ኤፍሬም ኰነ። 7ኣብኡ ኸኣ እቶም ህዝቢ እስራኤል ኣብ ቅድሚ ገላዉ ዳዊት ተሳዕሩ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ናብ ዕስራ ሽሕ ዝኣክል ብርቱዕ ጥፍኣት ኰነ። 8ኣብኡ ኸኣ እቲ ውግእ ኣብ ብዘላ እታ ምድሪ ፋሕ በለ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኻብቲ ሴፍ ዝወሓጦስ፡ እቲ ዱር ዝወሓጦ በዝሐ።
   9ኣቤሴሎም ድማ ንገላዉ ዳዊት ብቕድሚኦም ተጓነፎም። ኣቤሴሎም ከኣ በቕሊ ሰሪሩ ነበረ፡ እታ በቕሊ ድማ ኣብ ትሕቲ ደስደስ ዓብዪ ድዋ ኣተወት፡ ርእሱ ኸኣ ኣብቲ ድዋ ተታሕዘ እሞ፡ ኣብ መንጎ ሰማይን ምድርን ጠልጠል በለ፡ እታ ኣብ ትሕቲኡ ዝነበረት በቕሊ ድማ ሓለፈት። 10ሓደ ሰብኣይ ድማ ርእዩ ንዮኣብ፡ እንሆ፡ ንኣቤሴሎም ኣብ ሓደ ድዋ ጠልጠል ኢሉ ርእየዮ፡ ኢሉ ነገሮ። 11ዮኣብ ከኣ ነቲ ዝነገሮ ሰብኣይ፡ እንሆ፡ ርኢኻዮ ኸሎኻስ ስለምንታይ ድኣ ኣብኡ ምስ ምድሪ ዘየጣበቕካዮ፡ ዓሰርተ ሲቃል ብሩርን ሓደ ቕናትን ምሃብኩኻ ነይረ፡ በሎ። 12እቲ ሰብኣይ ከኣ ንዮኣብ፡ ንጉስ ንኣኻን ንኣቢሻይን ንኢታይን፡ ነቲ ጐበዝ፡ ንኣቤሴሎም፡ ስለይ ኢልኩም ተጠንቀቑሉ፡ ኢሉ ኽእዝዘኩም ከሎ ንሰምዖ ነርና ኢና እሞ፡ ሽሕ ሲቃል ብሩር ተመዚኑ ኣብ ኢደይ እንተ ዝቕበል እኳ፡ ናብቲ ወዲ ንጉስ ኣቢለስ ኢደይ ኣይምዘርጋሕኩን። 13ንነፍሱ ደፊረያ ኸም ኰንኩ ድማ፡ ካብ ንጉስ ዝሕባእ ነገርሲ የልቦን፡ ንስኻ ኸኣ ምተቓወምካኒ ኔርካ፡ በሎ። 14ሽዑ ዮኣብ፡ ከምዚ ምሳኻ ኽድንጒ ኣይደልን፡ በለ። ሰለስተ መዝረቕ ኣብ ኢዱ ወሲዱ ድማ፡ ንሱ ገና ብህይወቱ ኣብ ድዋ ጠልጠል ኢሉ ኸሎ፡ ናብ ልቢ ኣቤሴሎም ሸኸተን። 15ዓሰርተ መንእሰይ፡ ጋሻ ዛግረ ዮኣብ ከኣ ንኣቤሴሎም ከበብዎ፡ ወቒዖም ድማ ቀተልዎ።
   16ዮኣብ ድማ መለኸት ነፍሐ፡ ዮኣብ ነቲ ህዝቢ ኸልከሎ እሞ፡ እቲ ህዝቢ ኸኣ ካብ ምስጓጒ እስራኤል ተመልሰ። 17ንኣቤሴሎም፡ ድማ ወሲዶም፡ ኣብቲ ኣብ ዱር ዘሎ ጒድጓድ ደርበይዎ፡ ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ኣዝዩ ዓብዪ ዂምራ እምኒ ደርደሩሉ። ብዘለዉ እስራኤል ድማ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ድንኳኑ ሃደመ። 18ኣቤሴሎም ድማ፡ ንመዘከርታ ስመይ ዝዀነኒ ወዲ የብለይን፡ ኢሉ ነበረ እሞ፡ ብህይወቱ ኸሎ፡ ወሲዱ ነቲ ኣብ ንጉስ ዘሎ ሓወልቲ ኣቘሞ። ነቲ ሓወልቲ ኸኣ ብስሙ ሰመዮ፡ ክሳዕ ሎሚ መዓልቲ ድማ ሓወልቲ ኣቤሴሎም ይበሃል ኣሎ።
   19ኣሒማዓጽ ወዲ ጻዶቅ ድማ፡ ንንጉስስ፡ እግዚኣብሄር ካብ ኢድ ጸላእቱ በዪንሉ እዩ እሞ፡ ጐይየ ደኣ ኸበስሮ፡ በለ። 20ዮኣብ ከኣ፡ ንስኻ ሎሚ መዓልቲ ብስራት እትነግር ሰብ ኣይትኸውንን ኢኻ፡ ብኻልእ መዓልቲ ደኣ ተበስር፡ ወዲ ንጉስ ሞይቱ እዩ እሞ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣስ ኣይተበስርን ኢኻ፡ በሎ። 21ዮኣብ ግና ነቲ ኩሻዊ፡ ኪድ፡ ዝርኣኻዮ ንንጉስ ንገሮ፡ በሎ። እቲ ኩሻዊ ድማ ንዮኣብ ኢድ ነሲኡስ ጐየየ። 22ኣሒማዓጽ ወዲ ጻዶቅ ከኣ ንዮኣብ መሊሱ፡ ዝዀነ ይኹን፡ ኣነውን ደድሕሪ እቲ ኩሻዊ ኽጐዪ፡ በጃኻ፡ በሎ። ዮኣብ ከኣ፡ ወደየ፡ ናይ ብስራት ዝመጸካ ነገር ዘይብልካስ፡ ስለምንታይ እትጐዪ፡ በሎ። 23ንሱ ድማ፡ ዝዀነ ይኹን፡ ክጐዪ ደኣ፡ በለ። ንሱ ኸኣ፡ ጒየ፡ በሎ። ኣሒማዓጽ ድማ ብመገዲ ጐልጐል ጐይዩ ነቲ ኩሻዊ ቐደሞ።
   24ዳዊት ድማ ኣብ መንጎ እተን ክልተ ደገ ተቐሚጡ ነበረ። ዘብዐኛ ኸኣ ብወገን እቲ መካባብያ ኣብ ዝባን ናሕሲ እቲ ደገ ይኸይድ ነበረ። ዓይኑ ቛሕ እንተ ኣበለ፡ እንሆ ድማ፡ በይኑ ዝጐዪ ሰብኣይ ረኣየ። 25እቲ ዘብዐኛ ኸኣ ጸዊዑ ንንጉስ ነገሮ። ንጉስ ከኣ፡ በይኑ እንተ ዀይኑስ፡ ብስራት ኣብ ኣፉ ኣሎ፡ በለ። እናጐየየ ድማ ቐረበ። 26እቲ ዘብዐኛ ኸኣ ካልእ ሰብኣይ ከጐዪ ረኣየ፡ ሽዑ እቲ ዘብዐኛ ነጋፋሪ ጸዊዑ፡ እንሆ፡ በይኑ ዝጐዪ ኻልእ ሰብኣይ ድማ፡ በሎ። እቲ ንጉስ ከኣ፡ እዚውን ዘበስር እዩ፡ በለ። 27እቲ ዘብዐኛ ድማ፡ ንኣይሲ ጒያ እቲ ቐዳማይ ከም ኣጓይያ ኣሒማዓጽ ወዲ ጻዶቅ መሲሉ ይረኣየኒ፡ በለ። ንጉስ ከኣ፡ ንሱስ ሕያዋይ ሰብ እዩ፡ ጽቡቕ ብስራት ዘምጽእ እዩ፡ በለ።
   28ኣሒማዓጽ ድማ ንንጉስ፡ ሰላም ኢሉ፡ ጨደረ፡ ብገጹ ናብ ምድሪ ፍግም ኢሉ ንንጉስ ኢድ ነሲኡ ኸኣ፡ እቲ ነቶም ኣብ ጐይታይ ንጉስ ኣእዳዎም ዘልዓሉ ሰባት ኣሕሊፉ ዝሃበ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ይባረኽ፡ በለ። 29እቲ ንጉስ ድማ፡ እቲ ጐበዝ ኣቤሴሎምከ ደሓንዶ ኣሎ፡ በለ። ኣሒማዓጽ ከኣ፡ ንዮኣብ ነቲ ጊልያ ንጉስን ንኣይ ንጊልያኻን ከልእከና ኸሎ፡ ብዙሕ ዕግርግር ርኣኹ፡ እንታይ ከም ዝዀነ ግና ኣይፈለጥኩን፡ በለ። 30እቲ ንጉስ ከኣ፡ እግሊስካ ኣብኡ ደው በል፡ በሎ። ኣግሊሱ ድማ ደው በለ።
   31እንሆ ኸኣ፡ እቲ ኩሻዊ መጸ። እቲ ኩሻዊ ድማ፡ ካብ ኢድ እቶም ዝተንስኡኻ ዂሎም እግዚኣብሄር ሎሚ በይኑልካ እዩ እሞ፡ ንጐይታይ ንጉስ ብስራት፡ በለ። 32እቲ ንጉስ ከኣ ነቲ ኩሻዊ፡ እቲ ጐበዝ ኣቤሴሎምከ ደሓንዶ ኣሎ፡ በሎ። እቲ ኩሻዊ ኸኣ፡ ጸላእቲ ጐይታይ ንንጉስን ንኽፉእካ ዝትንስኡ ዂሎምን ከምቲ መንእሰይ ይኹኑ፡ በለ። 33ሽዑ ንጉስ ኣዝዩ ሕንቕንቕ በለ፡ ኣብ ልዕሊ ደገ ናብ ዘሎ ደርቢ ደዪቡ በኸየ። እናኸደ ኸኣ ከምዚ በለ፡ ወደይ ኣቤሴሎም፡ ወደይ፡ ወደይ፡ ኣቤሴሎም፡ ኣብ ክንዳኻ ሞይተ እንተ ዝኸውን መን ምሃበኒ፡ ወድይ ኣቤሴሎም፡ ወደይ።

         2ይ ሳሙኤል  ምዕራፍ 19        

   1ንዮኣብ ድማ፡ እንሆ፡ ንጉስ ብዛዕባ ኣቤሴሎም ይበክን ይጒህን ኣሎ፡ ኢሎም ነገርዎ። 2እቲ ንጉስስ ብዛዕባ ወዱ ኸም ዝሓዘነ፡ እቲ ህዝቢ በታ መዓልቲ እቲኣ ሰሚዑ ነበረ እሞ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ንብዘሎ ህዝቢ እቲ ስዕረት ናብ ጓሂ ተለወጠ። 3ኣብ ኲናት ብምህዳሞም ሓፊሮም እናተጸቕጠ ናብ ከተማ ኣተወ። 4እቲ ንጉስ ከኣ ገጹ ኸዲኑ ነበረ፡ ንጉስ ድማ ዓው ኢሉ፡ ወደይ ኣቤሴሎም፡ ኣቤሴሎም ወደይ፡ ወደይ፡ ኢሉ ጨደረ። 5-6ሽዑ ዮኣብ ናብ ንጉስ ኣብታ ቤት ኣትዩ በሎ፡ ነቶም ዝጸልኡኻ ብምፍታውካን ነቶም ዝፈትዉኻውን ብምጽላእካን፡ ነቶም ገላዉን ሓላቑን ግዶም ከም ዘይብልካ፡ ሎሚ ኣፍለጥካ። ኣቤሴሎም ብህይወቱ እንተ ዝህሉ፡ ንሕና ዂልና ግና ሎሚ እንተ ንመዉት፡ ሽዑ ቕኑዕ ኰይኑ ኸም ዝረኣየካን፡ ሎሚ ፈለጥኩ። ሎሚ ንገጽ እቶም ነፍስኻን ነፍሲ ኣወዳትካን ኣዋልድካን ነፍሲ ኣንስትኻን ነፍሲ ኣንስቲ ወሰንካን ዘድሓኑ ዂሎም ገላውኻን ኣሕፈርካዮ። 7ሕጂ ኸኣ፡ ተንሲእካ ውጻእ፡ ንልቢ ገላዉኻ ድማ ተዛረብ። እንተ ዘይወጻእካ ግና፡ በዛ ለይቲ እዚኣ ሓደ ሰብ እኳ ምሳኻ ኸም ዘይሓድር፡ ብእግዚኣብሄር እምሕል ኣሎኹ። ካብቲ ብንእስነትካ ጀሚሩ ኽሳዕ ሕጂ ዝመጸካ ኽፉእ ድማ፡ እዚ ከኸፍኣካ እዩ። 8ሽዑ ንጉስ ተንሲኡ ኣብ ደገ ተቐመጠ። እንሆ፡ ንጉስ ኣብ ደገ ተቐሚጡ ኣሎ፡ ኢሎም ንብዘሎ ህዝቢ ነገርዎ። ኲሉ እቲ ህዝቢ ኸኣ ናብ ቅድሚ ንጉስ መጸ።
   እስራኤል ግና፡ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ድንኳኑ ሃዲሙ ነበረ። 9-10ኣብ ኲሎም ነገዳት እስራኤል ብዘሎ እቲ ህዝቢ፡ እዚ ንጉስ ካብ ኢድ ጸላእትና ኣውጽኣና፡ ካብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ኣድሓነና፡ ሕጂ ኸኣ ብሰሪ ኣቤሴሎም ካብ ሃገር ሃዲሙ ኣሎ። እቲ ኣብ ልዕሌና ዝቐባእናዮ ኣቤሴሎም ድማ ኣብ ኲናት ሞይቱ። ሕጂ ኸኣ፡ ንምምላስ እቲ ንጉስ ስለምንታይ ስቕ እትብሉ፡ ኢሎም ተኻትዑ።
   11ንጉስ ዳዊት ድማ ነቶም ካህናት፡ ጻዶቅን ኣብያታርን፡ ከምዚ ኢሉ ለኣኸሎም፡ ንዓበይቲ ይሁዳ ኸምዚ ኢልኩም ተዛረብዎም፡ ዘረባ ዂሉ እስራኤል ናብ ንጉስ ኣብ ቤቱ መጺኡ ኸሎስ፡ ስለምንታይከ ንስኻትኩም ንንጉስ ናብ ቤቱ ንምምላስ ዳሕሮት ኰንኩም፡ 12ንስኻትኩም ኣሕዋተይ ኢኹም፡ ንስኻትኩም ዓጽመይን ስጋይን ኢኹም፡ ስለምንታይ ንምምላስ ንጉስ ዳሕሮት ኰንኩም፡ 13ንዓማሳውን ከምዚ በልዎ፡ ንስኻስ ዓጽመይን ስጋይን ደይኰንካን፡ ንስኻ ኣብ ክንዲ ዮኣብ ንወርትግ ኣብ ቅድመይ መስፍን ሰራዊት እንተ ዘይኴንካ፡ ኣምላኽ ከምዚ ይግበረኒ፡ ከምዚውን ይወስኸኒ። 14ከም ልቢ ሓደ ሰብ ገይሩ ኸኣ ንልቢ ዂሎም ሰብ ይሁዳ ናብኡ ተመለሱ፡ ኢሎም ለኣኹ። 15ሽዑ ንጉስ ተመሊሱ ናብ ዮርዳኖስ መጸ። ሰብ ይሁዳ ድማ ከይዶም ንንጉስ ተቐቢሎም ዮርዳኖስ ከሳግርዎ፡ ናብ ጊልጋል መጹ።
   16ሺምዒ፡ ወዲ ጌራ ብንያማዊ ብዓል ባሔሪም፡ ድማ ምስ ሰብ ይሁዳ ዀይኑ ንንጉስ ዳዊት ከቕበሎ ቐልጢፉ ወረደ። 17ካብ ብንያም ከኣ ሽሕ ሰብኣይ ምስኡ ነበሩ፡ ጺባ ግልያ ቤት ሳኦል ድማ፡ ዓሰርተው ሓሙሽተ ደቁን ዕስራ ገላዉኡን ከኣ ምስኡ ነበሩ እሞ፡ ኣብ ቅድሚ ንጉስውን ዮርዳኖስ ተሳገሩ። 18ስድራ ንጉስ ዝሳገሩሉ፡ ዝደለዮውን ከገብረሉ ታንኳ ተሳገረ። ሺምዒ ወዲ ጌራ ኸኣ፡ ንጉስ ንዮርዳኖስ ከሳገር ከሎ፡ ኣብ ቅድሚኡ ወደቐ። 19ንንጉስ ድማ፡ ጐይታይ ነቲ ኣበሳ ኣይሓዘለይ፡ በታ ጐይታይ ንጉስ ካብ የሩሳሌም ዝመጸላ መዓልቲ ጊልያኻ ዝበደሎ ኸኣ ኣይትዘክሮ፡ ንጉስ ኣብ ልቡ ደኣ ኣየንብሮ። 20ኣነ ኸም ዝበደልኩ፡ ጊልያኻ ፈሊጡ እዩ እሞ፡ እንሆ ኸኣ፡ ሎሚ ቕድሚ ዂላ ቤት ዮሴፍ ወሪደ፡ ጐይታይ ንጉስ ንምቕባል መጻእኩ፡ በሎ። 21ኣቢሻይ ወዲ ጽሩያ ግና፡ ሺምዒ ንቕቡእ እግዚኣብሄር ረጊሙ እዩ እሞ፡ በዚ ኽመዉትዶ ኣይግብኦን እዩ፡ ኢሉ መለሰ። 22ዳዊት ድማ፡ ኣቱም ደቂ ጽሩያ፡ ሎሚዶ ኣብ እስራኤል ሰብኣይ ይመውት፡ ሎሚ ኣብ እስራኤል ንጉስ ከም ዝዀንኩስ ኣይፈልጥን ድየ፡ ሎሚ ኣብ እስራኤል ንጉስ ከም ዝዀንኩስ ኣይፈልጥን ድየ፡ ሎሚ ተጻረርቲ እተዀኑኒ፡ ምሳኻትኩም ዝገብሮኸ እንታይ ኣሎኒ፡ በለ። 23ንጉስ ከኣ ንሺምዒ፡ ኣይትመውትን ኢኻ፡ በሎ። ንጉስ ድማ መሓለሉ።
   24መፊቦሸት ወዲ ሳኦልን ንንጉስ ከቕበሎ ወሪዱ ነበረ። ንሱ ኻብታ ንጉስ ዝኸደላ መዓልቲ ኽሳዕ እታ ብሰላም ዝኣተወላ መዓልቲ እግሩ ኣየጽረየን፡ ጭሕሙ ድማ ኣይዘርገፈን ክዳኑውን ኣይሓጸበን ነበረ። 25ንንጉስ ከቕበሎ ናብ የሩሳሌም ምስ መጸ ኸኣ፡ ንጉስ፡ ኣታ መፊቦሸት፡ ስለምንታይ ምሳይ ዘይከድካ፡ በሎ። 26ንሱ ድማ በለ፡ ጐይታይ ንጉስ፡ ጊልያኻ ሓንካስ እዩ እሞ፡ ኣድጊ ጽዒነስ ተወጢሐያ ምስ ንጉስ ክኸይድ፡ ኢሉ ነበረ፡ ግናኸ ጊልያይ ኣታሊሉኒ። 27ንሱ ድኣ ንጊልያኻ ኣብ ጐይታይ ንጉስ ነገር ሰርሓሉ። ጐይታይ ንጉስ ግና ከም መልኣኽ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ባህ ዘበለካ ግበር። 28ብዘላ ቤት ኣቦይሲ ኣብ ጐይታይ ንጉስ ብጀካ ሞት ካልእ ኣይግብኣን ነበረ፡ ንስኻ ግና ንጊልያኻ ምስቶም ኣብ መኣድኻ ዝበልዑ ኣቐመጥካኒ። ድሕሪ ደጊምከ እንታይ መሰል ኣሎኒ፡ ደጊምከ ኣብ ንጉስ እንታይ ኢለ ኽጠርዕ፡ 29እቲ ንጉስ ከኣ፡ ንምንታይከ ናይ ነገርካ መሊስካ እትዛረብ፡ እቲ ግራት ንስኻን ጺባን ተማቐልዎ ኢለ እየ፡ በለ። 30መፊቦሸት ድማ ንንጉስ፡ ጐይታይ ንጉስ ብደሓን ንቤቱ እንድሕሪ ተመልሰስ፡ ኵሉ እኳ ይውሰዶ፡ በሎ።
   31ባርዚላይ እቲ ጊልዓዳዊ ኸኣ ካብ ሮግሊም ወሪዱ፡ ኽሳዕ ስግር ዮርዳኖስ ከሰንዮ ኢሉ፡ ምስ ንጉስ ዮርዳኖስ ተሳገረ። 32ባርዚላይ ድማ ወዲ ሰማንያ ዓመት ኰይኑ፡ እምብዛ ሸምጊሉ ነበረ። ንሱ ኣዝዩ ሃብታም ነበረ እሞ፡ ንንጉስ ኣብ መሓናይም ከሎ ይምግቦ ነበረ። 33ንጉስ ከኣ ንባርዚላይ፡ ንስኻ ምሳይ ተሳገር እሞ፡ ኣብ የሩሳሌም ምሳይ ክምግበካ እየ፡ በሎ። 34ባርዚላይ ግና ንንጉስ በሎ፡ ምስ ንጉስ ናብ የሩሳሌም ዝድይብሲ፡ ዓመታት ህይወተይ ክንደይ እየን፡ 35ኣነ ሎሚ ወዲ ሰማንያ ዓመት ኣየ፡ ኣብ መንጎ ጽቡቕን ክፉእን ክፈሊዶ እኽእል እየ፡ ጊልያኻስ ዝበልዖ ዀነ ዝሰትዮ ጣዕሙዶ እፈልጦ እየ፡ ገናዶ ድምጺ ዝደርፉን ዝደርፋን እሰምዕ ኣልየ፡ ስለምንታይ ደኣ ደጊምከ ጊልያኻ ንጐይታይ ንጉስ ጾር ዝዀኖ፡ 36ጊልያኻ ምስ ንጉስ ቅሩብ ግዳ ንዮርዳኖስ ክሳገር። ስለምንታይከ ንጉስ እዚ ውሬታ እዚ ዝመልሰለይ፡ 37ኣብቲ መቓብር ኣቦይን ኣደይን ዘለዎ ኣብ ከተማዶ ክመውት ጊልያኻ ኽምለስ እልምነካ ኣሎኹ። ጊልያኻ ኪምሃም ግና፡ እንሆ፡ ምስ ጐይታይ ንጉስ ይሳገር፡ ንእኡ ባህ ዝበለካ ግበሮ። 38ንጉስ ከኣ፡ እምበኣርሲ ኪምሃም ምሳይ ይሳገር፡ ንእኡ ድማ ባህ ዘብለካ ኽገብረሉ እየ፡ ንኣኻውን ካባይ እትደልዮ ዘበለ ዂሉ ኽገብረልካ እየ፡ በለ። 39ብዘሎ ህዝቢ ከኣ ዮርዳኖስ ተሳገረ፡ ንጉስውን ተሳገረ። ንጉስ ድማ ንባርዚላይ ስዒሙ መረቖ። ናብ ቦታኡ ድማ ተመልሰ፡
   40ንጉስ ከኣ ናብ ጊልጋል ተሳገረ፡ ኪምሃምውን ምስኡ ተሳገረ። ብዘለዉ ህዝቢ ይሁዳን ፈረቓ ህዝቢ እስራኤልን ኰይኖም ከኣ ንንጉስ ኣሳገርዎ። 41እንሆ ድማ፡ ኲሎም ሰብ እስራኤል ናብ ንጉስ መጺኦም ንንጉስ፡ እዞም ኣሕዋትና ሰብ ይሁዳ ስለምንታይ እዮም ዝሰረቑኻ፡ ንንጉስን ንስድራኡን፡ ንዂሎም ናይ ዳዊት ሰብውን ምስኡ፡ ዮርዳኖስ ኣሳገርዎም፡ በልዎ። 42ኲሎም ሰብ ይሁዳ ኸኣ ንሰብ እስራኤል፡ ንጉስ ንኣና ስለ ዝቐርብ ኢና፡ ስለምንታይ ደኣ ኢኹም በዚ ነገር እዚ እትዂርዩ፡ ካብ ንጉስዶ ገለ ብልዒ በሊዕና ኢና፡ ወይ ገለ ህያብዶ ሂቡና እዩ፡ ኢሎም መለሱሎም። 43እቶም ሰብ እስራኤል ድማ ንሰብ ይሁዳ፡ ኣብ ንጉስ ዓሰርተ ኢድ ኣሎና፡ ኣብ ዳዊትውን ካባኻትኩም ዝበለጸ መሰል ኣሎና፡ ስለምንታይከ ነዓቕኩምና፡ ንንጉስና ንምምላስ ቅድም እተዛረብናስ ንሕናዶ ኣይኰናን፡ ኢሎም መለሱሎም። ግናኸ ካብ ዘረባ ሰብ እስራኤልሲ ዘረባ ሰብ ይሁዳ ደኣ ረዘነ።

         2ይ ሳሙኤል  ምዕራፍ 20            

   1ኣብኡ ኸኣ ሓደ ናይ ብልያል ሰብ፡ ሸባዕ ዝስሙ ወዲ ቢክሪ፡ ብንያማዊ ሰብኣይ ነበረ። ንሱ ኸኣ፡ ንሕና ኣብ ዳዊት ግደ የብልናን፡ ኣብ ወዲ እሴይውን ርስቲ የብልናን። ዎ እስራኤል፡ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ድንኳኑ ይመለስ፡ ኢሉ መለኸት ነፍሐ። 2ኲሎም ሰብ እስራኤል ከኣ ንዳዊት ካብ ምስዓብ ተመሊሶም፡ ንሸባዕ ወዲ ቢክሪ ሰዓቡ። እቶም ሰብ ይሁዳ ግና ኣብ ንጉሶም ለጊቦም ካብ ዮርዳኖስ ክሳዕ የሩሳሌም ሰዓብዎ።
   3ዳዊት ድማ ናብ የሩሳሌም ናብ ቤቱ መጸ። ሽዑ እቲ ንጉስ ነተን ቤት ከሕልዋ ሓዲግወን ዝነበረ ዓሰርተ ኣንስቲ ወሰኑ ወሰደን፡ ከሕለዋ ኣብ ቤት ኣቐሚጡ ኸኣ፡ ይቕልበን ነበረ። ናባታተን ግና ኣይኣተወን። ንሳተን መበለታት ኰይነን ክሳዕ መዓልቲ ሞተን ተዓጽየን ነበራ።
   4ንጉስ ድማ ንዓማሳ፡ ንሰብ ይሁዳ በዘን ሰለስተ መዓልቲ ኣኽትተለይ፡ ንስኻ ከኣ ኣብዚ ተረኸብ፡ በሎ። 5ሽዑ ዓማሳ ንሰብ ይሁዳ ከኽትት ከደ፡ ግናኸ ካብቲ ዝመደቦ ግዜ ደንጐየ። 6ሽዑ ዳዊት ንኣቢሻይ፡ ሕጂ ሸባዕ ወዲ ቢክሪ ኻብ ኣቤሴሎም ከኸፍኣና እዩ፡ ዕሩዳት ከተማታት ከይረክብ እሞ፡ ካብ ዓይንና ኸይመልቑሲ፡ ንስኻ ገላዉ ጐይታኻ ሒዝካ ስጐጎ፡ በሎ። 7ሽዑ ናይ ዮኣብ ሰባትን እቶም ክረታውያንን ጵለታውያንን ኲሎም ጀጋኑን ደድሕሪኡ ወጹ፡ ንሸባዕ ወዲ ቢክሪ ኽሰጒዎ ኸኣ ካብ የሩሳሌም ወጹ።
   8ኣብቲ ኣብ ጊብዖን ዘሎ ዓብዪ እምኒ ኸለዉ፡ ዓማሳ መጺኡ ተራከቦም። ዮኣብ ድማ ተኸዲንዎ ዝነበረ ቐምሹ ተዓጥቀ፡ ብልዕሊኡ ኸኣ ኣብ ምሕኲልቱ ሴፍ ምስ ሰገባኡ ተዓጢቑ ነበረ። ንሱ ከኸይድ ከሎ ድማ እቲ ሴፍ ወደቐ። 9ዮኣብ ድማ ንዓማሳ፡ ደሓንዶ ኣሎካ ሓወይ፡ ኢሉ፡ ከስዕሞ ብየማነይቲ ኢድ ጭሕሙ ሓዞ። 10ዓማሳ ግና ነቲ ኣብ ኢድ ዮኣብ ዝነበረ ሴፍ ኣይተጠንቀቐሉን እሞ፡ ንሱ ብእኡ ገይሩ ከብዱ ወግኦ፡ ኣምዑቱ ናብ ምድሪ ተዛሕዝሐ፡ ካልኣይ ከይወግኦ ኸኣ ሞተ፡ ዮኣብን ኣቢሻይን ሓዉን ድማ ንሸባዕ ወዲ ቢክሪ ሰጐጒዎ፡ 11ሓደ ሰብኣይ ካብ ገላዉ ዮኣብ ከኣ ኣብ ጥቓኡ ቘይሙ፡ ፈታው ዮኣብ ዝዀነን ንዳዊት ከኸውን ዝደለየን ደድሕሪ ዮኣብ ይስዓብ፡ ይብል ነበረ። 12ዓማሳ ከኣ ኣብ ማእከል መገዲ ኣብቲ ደሙ ጠንቀላዕላዕ ይብል ነበረ፡ እቲ ሰብኣይ ድማ ኵሉ እቲ ህዝቢ ደው ከም ዝበለ ረኣየ፡ ናብኡ ዝመጸ ዘበለ ደው ከም ዝብል ምስ ረኣየ ኸኣ፡ ንዓማሳ ኻብ መገዲ ናብ ግራት ኣግለሶ፡ ኣብ ልዕሊኡውን ክዳን ዘርግሓሉ። 13ካብ መገዲ ምስ ኣልዓልዎ ግና፡ ንሸባዕ ወዲ ቢክሪ ኽሰጒጒ ኲሉ ሰብ ደድሕሪ ዮኣብ ሓለፈ።
   14ንሱ ድማ ብዂሎም ነገዳት እስራኤል ገይሩ ናብ ኣቤልን ቤት-ማዓካን ናብ ኲሎም በሪያውያን ሓለፈ። ንሳቶም ድማ ተኣኪቦም ደድሕሪኡ መጹ። 15መጺኦም ከኣ ኣብ ኣቤል ናይ ቤት-ማዓካ ኸበብዎ፡ ነታ ኸተማ ምስቲ መካበብያኣ ዝቐውም ድልድል ደልደሉላ። እቲ ምስ ዮኣብ ዝነበረ ዂሉ ህዝቢ ድማ ነቲ መንደቕ ከውድቖ የፍርሶ ነበረ። 16ሽዑ ኻብታ ኸተማ ሓንቲ ብልሂ ሰበይቲ፡ ስምዑ፡ ስምዑ፡ በጃኹም ንዮኣብ፡ ክዛረበካ ኽሳዕ ናብዚ ቕረብ፡ በሉለይ፡ ኢላ ጨደረት። 17ንሱ ኸኣ ናብኣ ቐረበ፡ እታ ሰበይቲ ድማ፡ ንስኻ ዲኻ ዮኣብ፡ በለት። ንሱ ኸኣ፡ ኣነ እየ፡ በለ። ንሳ ድማ፡ ዘረባ ገረድካ ስማዕ፡ በለቶ፡ ንሱ ኸኣ፡ እሰምዕ ኣሎኹ፡ በሎ። 18ንሳ ድማ፡ ቀደም፡ ምኽሪ ኣብ ኣቤል ይጠይቕ፡ ይበሃል ነበረ፡ ከምኡ ኸኣ ተፈጸመ። 19ኣነስ ኣብ እስራኤል ሰላማዊትን እምንትን እየ፡ ንስኻከ ነዛ ኣብ እስራኤል ከተማን ኣደን ዝዀነት ከተፍርሳ ትደሊ ኣሎኻ። ስለምንታይ ኢኻ ርስቲ እግዚኣብሄር እትውሕጥ ዘሎኻ ኢላ፡ ተዛረበት። 20ዮኣብ ድማ፡ እቲ ምውሓጥን ምጥፋእንሲ የርሕቆ፡ ካባይ የርሕቆ። 21ነገሩ ኸምኡ ኣይኰነን፡ ሸባዕ ዝስሙ ሰብኣይ፡ ወዲ ቢክሪ ኻብ ከረን ኤፍሬም፡ ኣብ ንጉስ፡ ኣብ ዳዊት ኢዱ ኣልዒሉ እዩ እሞ፡ ንእኡ ጥራይ ደኣሃቡኒ እምበር፡ ካብዛ ኸተማ ክኸደልኩም፡ ኢሉ መለሰ። እታ ሰበይቲ ከኣ ንዮኣብ፡ እንሆ፡ ርእሱ ብመካበብያ ኽንድርብየልካ ኢና፡ በለት። 22ሽዑ እታ ሰበይቲ ብብልህነታ ናብ ኲሉ ህዝቢ መጸት። ርእሲ ሸባዕ ወዲ ቢክሪ ቘሪጾም ድማ ንዮኣብ ደርበዩሉ። ንሱ ኸኣ መለኸት ነፍሐ እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ካብታ ኸተማ ነናብ ድንኳኑ ፋሕ በለ። ዮኣብ ድማ ናብ ንጉስ ናብ የሩሳሌም ተመልሰ።
   23ዮኣብ ድማ ሓለቓ ዂሉ ሰራዊት እስራኤል ነበረ፡ በናያ ወዲ የሆያዳ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ክረታውያንን ጵለታውያንን ነበረ። 24ኣዶራም ድማ ዋና ግብሪ፡ ዮሳፋጥ ወዲ ኣሒሉድ ከኣ ትሓዝ ደብተር ነበረ። 25ሸያእ ድማ ጸሓፊ ነበረ፡ ጻዶቅን ኣብያታርን ከኣ ካህናት ነበሩ። 26ዒራ ያኢራዊ ድማ ናይ ዳዊት ካህን ነበረ።

         2ይ ሳሙኤል  ምዕራፍ 21            

   1ብዘበን ዳዊት ድማ፡ ዓመት ንዓመት፡ ሰለስተ ዓመት ጥሜት ኰነ። ዳዊት ከኣ ገጽ እግዚኣብሄር ደለየ። እግዚኣብሄር ድማ፡ እዚ ብሰሪ ሳኦልን ብሰሪ እታ ደም ዘለዋ ቤቱን፡ ንጊብዖናውያን ስለ ዝቐተሎም እዩ፡ በለ። 2ሽዑ ንጉስ ንጊብዖናውያን ጸዊዑ ተዛረቦም። እቶም ጊብዖናውያን ግና ካብቶም ካብ ኣሞራውያን ዝተረፉ እዮም እምበር፡ ካብ ደቂ እስራኤልሲ ኣይኰኑን። እቶም ደቂ እስራኤል ደኣ ምሒሎምሎም ነበሩ፡ ሳኦል ግና በቲ ብዛዕባ ደቂ እስራኤልን ይሁዳን ዝነበሮ ቕንኣት፡ ከጥፍኦም ደለየ። 3ዳዊት ከኣ ንጊብዖናውያን፡ ንርስቲ እግዚኣብሄር ክትምርቑስ፡ እንታይ ክገብረልኩም፡ ብምንታይከ ዕርቂ ክገብር እየ፡ በሎም። 4እቶም ጊብዖናውያን ድማ፡ ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎ ሳኦልን ቤቱን ነገር ብሩርን ወርቅን የብልናን፡ ኣብ እስራኤልውን ሰብ ክንቀትል ኣይግብኣናን፡ በልዎ። ንሱ ኸኣ፡ እቲ እትብልዎ ኽገብረልኩም እየ፡ በሎም። 5ንሳቶም ድማ ንንጉስ፡ እቲ ዝወድኣናን ኣብ ኲሉ ዶብ እስራኤል ከይንነብር፡ ምእንቲ ኽንጸንት እተተንኰለልናን ሰብኣይ፡ 6ኣብታ እግዚኣብሄር ዝሓረያ ጊብዓ ናይ ሳኦል ንእግዚኣብሄር ክንሰቕለሉ፡ ካብ ደቁ ሾብዓተ ሰባት ይሃቡና፡ በልዎ። እቲ ንጉስ ከኣ፡ ኣነ ኽህበኩም እየ፡ በለ።
   7እቲ ንጉስ ግና ንመፊቦሸት፡ ወዲ ዮናታን ወዲ ሳኦል፡ ምእንቲ እቲ ኣብ መንጎኦም፡ ኣብ መንጎ ዳዊትን ዮናታን ወዲ ሳኦልን ዝነበረ ማሕላ እግዚኣብሄር ኢሉ ነሓፎ። 8ንጉስ ግና ነቶም ክልተ ደቂ ሪጽጳ ጓል ኣያ ንሳኦል ዝወለደትሉ ኣርሞንን መፊቦሸትን፡ ነቶም ሓሙሽተ ደቂ ሚካል ጓል ሳኦል፡ ንዓድርኤል ወዲ ባርዚላይ መሖላታዊ ዝወለደትሉ ኸኣ ወሰዶም፡ 9ኣብ ኢድ ጊብዖናውያን ድማ ኣወፈዮም፡ ንሳቶም ከኣ ኣብቲ ኸረን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሰቐልዎም፡ ሾብዓቲኦም ድማ ብሓንሳእ ወደቑ፡ በቲ ዓጺድ ስገም ዝጅመረሉ ኸኣ፡ ብግዜ ቐውዒ ሞቱ። 10ሪጽጳ ጓል ኣያ ድማ ማቕ ወሲዳ ንርእሳ ኣብ ከውሒ ኣንጸፈት፡ ካብ መጀመርታ ቐውዒ፡ ካብ ሰማይ ዝናም ክሳዕ ዝዘንሞም ከኣ ብመዓልቲ ኣዕዋፍ ሰማይ፡ ብለይቲ ድማ ኣራዊት መሮር ከዓርፉሎም ኣይሓደገቶምን። 11እቲ ሪጽጳ ጓል ኣያ፡ ሰበይቲ ወሰኑ ንሳኦል፡ ዝገበረቶ ኸኣ ንዳዊት ነገርዎ። 12ዳዊት ድማ ከይዱ ኣዕጽምቲ ሳኦልን ኣዕጽምቲ ዮናታን ወዱን ካብ ሰብ ያቤሽ-ጊልዓድ ወሰደ። ንሳቶም ካብቲ ኣደባባይ ቤትሻን ሰሪቖምዎም ነበሩ፡ ኣብኡ ፍልስጥኤማውያን በታ ንሳኦል ኣብ ጊልቦዓ ዝቐትሉላ መዓልቲ ሰቒሎምዎም ነበሩ። 13ንሱ ኸኣ ካብኡ ኣዕጽምቲ ሳኦልን ኣጽምቲ ዮናታን ወዱን ኣልዓለ፡ ኣዕጽምቲ እቶም ስቑላት ድማ ኣከቡ። 14ነቲ ኣዕጽምቲ ሳኦልን ዮናታን ወዱን ድማ ኣብ መቓብር ኣቦኡ ቂስ፡ ኣብ ምድሪ ብንያም፡ ኣብ ጼላዕ ቀበርዎ። እቲ ንጉስ ዝኣዘዞ ዂሉ ኸኣ ገበሩ። ድሕሪ እዚ ድማ ኣምላኽ ነታ ሃገር ተለመና።
   15ፍልስጥኤማውያን ድማ ምስ እስራኤል ከም ብሓድሽ ተዋግኡ። ዳዊትን ገላዉኡ ኸኣ ምስኡን ወሪዶም ምስ ፍልስጥኤማውያን ተዋግኡ። ዳዊት ድማ ደኸመ። 16ይሽቢ-ብኖብ ከኣ፡ ንሱ ኻብ ወገን ራፋ፡ ሚዛን ኲናቱ ሰለስተ ሚእቲ ሲቃል ኣስራዚ፡ ሓድሽ ሴፍ ድማ እተዓጥቀ ዝነበረ፡ ንሱ ንዳዊት ከቐትሎ ሓሰበ። 17ኣቢሻይ ወዲ ጽሩያ ግና ረድኦ፡ ነቲ ፍልስጥኤማዊ ኸኣ ወቒዑ ቐተሎ። ሽዑ እቶም ገላዉ ዳዊት መብራህቲ እስራኤል ከይተጥፍእሲ፡ ደጊም ምሳና ናብ ውግእ ኣይትውጻእ፡ ኢሎም መሓሉሉ።
   18ኰነ ድማ፡ ድሕርዚ ኸም ብሓድሽ ምስ ፍልስጥኤማውያን ኣብ ጎብ ውግእ ኰነ። ሽዑ ሲብካይ ሑሻታዊ ነቲ ኻብ ደቂ ራፋ ዝነበረ ሳፍ ቀተሎ።
   19ከም ብሓድሽ ከኣ ምስ ፍልስጥኤማውያን ኣብ ጎብ ውግእ ኰነ። ኤልሓናን ወዲ ያዓሬ-ዖርጊም ብዓል ቤት-ልሄም ድማ ነቲ ዛብያ ዂናቱ ኽንዲ ወንደረሽ ኣላማይ ዝነበረ ጐልያድ ብዓል ጋት ቀተሎ።
   20ከም ብሓድሽ ድማ ኣብ ጋት ውግእ ኰነ። ኣብኡ ኸኣ ኣጻብዕ ኣእዳውን ኣጻብዕ ኣእጋርን ሸሹድሽተ፡ ቁጽሪ ዂሉ ዕስራን ኣርባዕተን፡ ዘለዎ ነዊሕ ሰብኣይ ነበረ። ንሱ ድማ ካብ ራፋ እተወልደ እዩ። 21ንሱ ንእስራኤል ምስ ጸረፎ ድማ፡ ዮናታን፡ ወዲ ሺምዓ ሓው ዳዊት፡ ቀተሎ።
   22እዞም ኣርባዕተ እዚኣቶም ኣብ ጋት ካብ ራፋ ተወልዱ፡ ብኢድ ዳዊትን ብኢድ ገላዉኡን ከኣ ወደቑ።

         2ይ ሳሙኤል  ምዕራፍ 22            

     1ዳዊት ድማ በታ እግዚኣብሄር ንእኡ ኻብ ኢድ ኲሎም ጸላእቱን ካብ ኢድ ሳኦልን ዘድሓነላ መዓልቲ ንእግዚኣብሄር ቃላት እዚ መዝሙር እዚ ተዛረበ። 2ከምዚ ኸኣ በለ፡
እግዚኣብሄር ከውሐይን እምባይን መድሓንየይን እዩ፡
3ኣምላኽ ተስፋ ዝገብሮ ኸውሐይ እዩ፡
ዋልታይን ቀርኒ ምድሓነይን፡
ግምበይን መህደምየይን፡
ዎ መድሓንየይ፡ ካብ ዓመጻ ተድሕነኒ።
4ነቲ ኽውደስ ዝግብኦ እግዚኣብሄር እጽውዖ ኣሎኹ፡
ካብ ጸላእተይ ከኣ ክድሕን እየ።
5ማዕበል ሞት ከቢቡኒ እዩ እሞ፡
ወሓይዝ ብልያል ኣፍርሃኒ።
6ኣግማድ ሲኦል ከበበኒ፡
መፈንጠራታት ሞት መጸኒ።
7ብጸበባይ ንእግዚኣብሄር ጸዋዕኩ፡
ናብ ኣምላኸይ ከኣ ተማህለልኩ፡
ድምጸይ ድማ ካብ መቕደሱ ሰምዐ፡
ገዓረይውን ኣብ ኣእዛኑ በጽሐ።
8ሽዑ ምድሪ ተናቓነቐትን ኣንቀጥቀጠትን፡
መሰረታት ሰማይ ኣንደቕደቐ፡
ብዂራኡ ስለ ዝነደደ ኸኣ፡ ተናቓነቐ።
9ካብ ኣፍንጫኡ ትኪ ተላዕለ፡
ካብ ኣፉ ድማ ዝባላዕ ሓዊ ወጸ፡
ካብኡ ጓህሪ ነደደ።
10ሰማይ ኣድኒኑ ኸኣ ወረደ፡
ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩውን ጣቓ ነበረ።
11ኣብ ልዕሊ ኪሩቤል ተወጢሑ ድማ ነፈረ፡
ኣብ ኣኽናፍ ንፋስ ከኣ ተራእየ።
12ነቲ ጸልማትን እኩብ ማያትን ከቢድ ደበናን፡
ኣብ ዙርያኡ ድንኳናት ገበሮ።
13ካብቲ ነጸብራቕ ቅድሚኡ ጒሁር ሓዊ ነደደ።
14እግዚኣብሄር ካብ ሰማይ ኣንጐድጐደ፡
እቲ ልዑልውን ቃሉ ሃበ።
15ፍላጻታት ወርዊሩ ኸኣ ፋሕ ኣበሎም፡
ኣብሪቑውን ኣሸበሮም።
16ብተግሳጽ እግዚኣብሄር፡
ካብ ምንፋስ ትንፋስ ኣፍንጫኡ፡
መዓሙቑ ባሕሪ ተራእየ፡
መሰረታት ዓለምውን ተቐልዐ።
17ካብ ኣርያም ልኢኹ ወሰደኒ፡
ካብ ዓበይቲ ማያት ኣውጽኣኒ።
18ካባይ ይሕይሉ ነበሩ እሞ፡
ካብቲ ሓያል ጸላእየይ፡
ካብቶም ዝጸልኡኒ ኣድሓነኒ።
19ብመዓልቲ መከራይ ሓደጋ ወደቑኒ፡
ግናኸ እግዚኣብሄር ደገፍ ኰነኒ።
20ናብ ርሒብ ኣውጽኣኒ፡
ብሂጉኒ እዩ ኣሞ፡ ኣድሓነኒ።
21እግዚኣብሄር ከም ጸድቀይ ፈደየኒ፡
ከምቲ ጽርየት ኢደይ መለሰለይ።
22መገድታት እግዚኣብሄር ሓልየ እየ እሞ፡
ካብ ኣምላኸይ ብበደል ኣይረሓቕኩን።
23ኲሉ ፍርድታቱ ኣብ ቅድመይ እዩ እሞ፡
ካብቲ ሕጋጋቱ ኣየግለስኩን።
24ኣብ ቅድሚኡ ምሉእ ኰንኩ፡
ካብ በደለይውን ተሓሎኹ።
25ስለዚ እግዚኣብሄር ከም ጽድቀይ፡
ከምቲ ንጽህናይ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ መለሰለይ።
26ምስቲ ሕያዋይ ትኸውን።
ምስቲ ፍጹም ሰብ ፍጹም ትኸውን።
27ምስቲ ንጹህ ንጹህ ትኸውን፡
ምስቲ ጠዋይ ከኣ ትጠዊ።
28ንጥቑዕ ህዝቢ ድማ ተድሕኖ ኢኻ፡
ነቶም ዕቡያት ግና ከተዋርዶም፡ ኣዒንትኻ ናባታቶም እየን።
29ንስኻ ዎ እግዚኣብሄር፡ መብራህተይ ኢኻ እሞ፡
ንጸልማተይ እግዚኣብሄር የብርሆ።
30ብኣኻ ንጭፍራ ኽጐዮም እየ እሞ፡
ብኣምላኸይ፡ ንመንደቕ እሰርር።
31ኣምላኽ መገዱ ፍጽምቲ እያ፡
ቃል እግዚኣብሄር እተዀልዐ እዩ።
ንሱ ተስፋ ንዝገብርዎ ዂሎም ዋልታኦም እዩ።
32ብጀካ እግዚኣብሄርሲ ኣምላኽ መን እዩ፡
ብጀካ ኣምላኽናኸ ኸውሒ መን እዩ፡
33ኣምላኽ ጽኑዕ ዕርደይ እዩ፡
ነቲ ፍጹም ድማ ብመገዱ ይመርሖ።
34እግረይ ከም ናይ እራብ ገበረ፡
ኣብ ልዕሊ በረኽተይ ድማ ኣቘመኒ።
35ነእዳወይ ውግእ፡
ንቐላጽመይ ከኣ ቀስቲ ኣስራዚ ምግታር መሃረ።
36ዋልታ ምድሓንካ ድማ ሃብካኒ።
ምውራድካውን ኣዕበየኒ።
37ኣብ ትሕተይ ስጓሞይ ኣግፋሕካ፡
ኣእጋረይ ከኣ ኣየንደልሃጸን።
38ንጸላእተይ ድማ ሰጒጐ ኣጥፋእክዎም፡
ክሳዕ ዝውድኦም ከኣ ኣይተመለስኩን።
39ከም ዘይትንስኡ ገይረ ድማ ወጊአ ወዳእክዎም፡
ኣብ ትሕቲ እግረይውን ወደቑ።
40ንውግእ ከኣ ሓይሊ ኣዕጠቕካኒ፡
ነቶም እተቓወሙኒ ኣብ ትሕተይ ኣድነንካዮም።
41ዝባን ጸላእተይ ድማ መለስካለይ፡
ነቶም ዝጸልኡኒ ኸኣ ኣጽነትክዎም።
42ጠመቱ፡ ዘድሕን ግና ኣይነበረን።
ናብ እግዚኣብሄር፡ ንሱ ግና ኣይመለሰሎምን።
43ሓመድ ምድሪ ኽሳዕ ዝዀኑ ድማ ደቘስክዎም፡
ከም ጭቃ ኣደባባይ ረጊጸ ሰገድክዎም።
44ካብ ባእሲ ህዝበይ ኣድሓንካኒ፡
ርእሲ ህዝብታት ክኸውን ሓሎኻኒ፡
ዘይፈለጥክዎ ህዝቢ ተገዝኣኒ።
45ደቂ ጓና ድማ ይግዝኡኒ፡
ብእዝኖም ሰሚዖም ይእዘዙኒ።
46እቶም ደቂ ጓና ወለል ይብሎም፡
ካብቲ እተዓጽዉሉ ስፍራታት እናንቀጥቀጡ ይወጹ።
47እግዚኣብሄር ህያው እዩ፡ እቲ ኸውሐይ ከኣ ይባረኽ።
እቲ እምባ ምድሓነይ ዝዀነ ኣምላኽ ክብ ይበል፡
48እቲ ሕነይ ዝፈደየለይ ኣምላኽ፡
ንህዝብታትውን ኣብ ትሕተይ ዘውድቖም፡
49ካብ ጸላእተይ ድማ ዘውጽኣኒ፡
ናብ ልዕሊ እቶም ተቓወምተይውን ክብ ተብለኒ፡
ካብ ዓማጺ ሰብ ተድሕነኒ።
50ስለዚ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡
ኣብ ማእከል ህዝብታት አመስግነካ፡
ንስምካውን እዝምር ኣሎኹ።
51ንንጉስ ዓብዪ ምድሓን ይህብ፡
ንቕቡኡ ድማ፡ ንዳዊትን ንዘርኡን፡
ንዘለኣለም ሞገስ ይህብ።

         2ይ ሳሙኤል  ምዕራፍ 23   

1መወዳእታ ዘረባ ዳዊት ድማ እዚ እዩ፡
ዳዊት ወዲ እሴይ ይብል፡
እቲ ኽብ ኣቢሉ ዘቘሞ ሰብኣይ፡
እቲ ቕቡእ ኣምላኽ ያእቆብ፡
እቲ ናይ እስራኤል ጥዑም ዘማሪ ይብል፡
   2መንፈስ እግዚኣብሄር ብኣይ ተዛረብ፡
ቃሉ ኸኣ ኣብ ልሳነይ ነበረ።
3ኣምላኽ እስራኤል በለ፡
ከውሒ እስራኤል ተዛረበኒ፡
እቲ ኣብ ልዕሊ ሰብ ብጽድቂ ዝነግስ፡
እቲ ብፍርሃት ኣምላኽ ዝነግስ፡
4ንሱ ኸምቲ ደበና ዘይብሉ ብጊሓት ጸሓይ እትበርቀሉ ግዜ፡
እቲ ብድሕሪ ዝናም ብነጸብራቑ ኻብ ምድሪ ሳዕሪ ዘብቁለሉ፡
ከም ብርሃን ወጋሕታ እዩ።
5ቤተይሲ ምስ ኣምላኽ ከምኡ ደይኰነን፡
ግናኸ ብዂሉ እተሰርዐን እተሓለወን
ኪዳን ዘለኣለም እቑሙለይይ እዩ እሞ፡
ኲሉ ምድሓነይ ኲሉ ባህገይንከ
ኣየብቁለለይ ድዩ፡
6እቶም ደቂ ብልያል ኵሎም ግና ከምቲ ብኢድ ዘይትሕዝ እሞ፡
ከም ዝድርበ እሾዂ እዮም።
7እቲ ዝትንክዮም ሰብ ግና
ሓጺንን ዛብያ ዂናትን ይሕዝ፡
ኣብታ ቦታኦም ድማ ብሓዊ ፈጺሞም ይነዱ።
   8ስም ጀጋኑ ዳዊት ከኣ እዚ እዩ፡ ዮሼብ-ባሸቤት ታሕክሞናዊ፡ ርእሲ እቶም ሓላቑ፡ ንሱ ዓዲኖ እቲ ዔዝናዊ ዂናት ኣልዒሉ ብሓንሳእ ሾሞንተ ሚእቲ ዝቐተለ እዩ። 9ብድሕሪኡ ኸኣ ኣልኣዛር ወዲ ዶዶ፡ ወዲ ሓደ ኣሖሓዊ፡ ንሱ ኻብቶም ምስ ዳዊት ዝነበሩ ሰለስተ ጀጋኑ እዩ፡ ንሳቶም ነቶም ከዋግኡ ኣብኡ እተኣከቡ ፍልስጥኤማውያን ምስ ኣላገጹሎም፡ እቶም ሰብ እስራኤል ድማ ምስ ኣድሓርሓሩ፡ 10ንሱ ግና ተንሲኡ ኢዱ ኽሳዕ እትድንዝዝ፡ ኢዱ ኣብታ ሴፍ ክሳዕ እትለግብ ድማ ንፍልስጥኤማውያን ቀተሎም። እግዚኣብሄር ከኣ በታ መዓልቲ እቲኣ ዓብዪ ምድሓን ገበረ። እቶም ህዝቢ ድማ ከገፉ ጥራይ ደድሕሪኡ ተመልሱ። 11ፍልስጥኤማውያን ድማ ጨፊሮም ኣብ ሓንቲ ብርስን ዝመልኣት ግራት ተኣከቡ። እቲ ህዝቢ ኸኣ ካብ ቅድሚ ፍልስጥኤማውያን ሃደመ። 12ንሱ ግና ኣብ ማእከል እታ ግራት ቈይሙ ኣድሓና፡ ንፍልስጥኤማውያን ከኣ ሰዓሮም። እግዚኣብሄር ድማ ዓብዪ ምድሓን ገበረ።
   13ካብቶም ሰላሳ ሓላቑ ድማ ሰለስተ ወሪዶም፡ ብግዜ ዓጺድ ናብ ዳዊት ናብ በዓቲ ኣዱላም መጹ። እቲ ጭፍራ ፍልስጥኤማውያን ከኣ ኣብ ለሰ ረፋይም ሰፈሩ ነበረ። 14ሽዑ ዳዊት ኣብ ዕርዲ ነበረ፡ ዘብዐኛታት ፍልስጥኤማያን ከኣ ሽዑ ኣብ ቤት-ልሄም ነበሩ። 15ዳዊት ድማ፡ ካብቲ ኣብ ጥቓ ደገ ቤት-ልሄም ዘሎ ዔላ መን ኰን ማይ የስትየኒ፡ ኢሉ ተመነየ። 16ሽዑ እቶም ሰለስተ ጀጋኑ ነቲ ሰፈር ፍልስጥኤማውያን ጥሒሶም ካብቲ ኣብ ጥቓ ደገ ዘሎ ዔላ ቤት-ልሄም ማይ ቀዲሖም ጾይሮም ንዳዊት ኣምጽኡሉ። ዳዊት ግና ንእግዚኣብሄር ከዓዎ እምበር፡ ከሰትዮስ ኣይፈተወን። 17ንሱ፡ ደም እዞም ህይወቶም ቀቢጾም ዝኸዱ ሰባትዶ ኽሰቲ እየ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ እዝ ምግባርሲ ኻባይ ይርሓቕ፡ በለ። ምስታዩ ኸኣ ኣይፈተወን። እቶም ሰለስተ ጀጋኑ እዚ ነገር እዚ ገበሩ።
   18ኣቢሻይ ሓው ዮኣብ ወዲ ጽሩያ ኸኣ፡ ንሱ ነቶም ሰለስተ ሓለቓኦም ነበረ። ንሱ ድማ ኲናቱ ኣልዒሉ ንሰለስተ ኸኣ ስሙይ ነበረ፡ 19ካብቶም ሰለስተስ ዝኽበረዶ ኣይነበረን፡ ስለዚ ሓለቓኦም ኰነ፡ ክሳዕ ማዕረ እቶም ሰለስተ ቐዳሞት ግና ኣይበጽሐን። 20በናያ ወዲ የሆያዳ ኸኣ፡ ወዲ ሓደ ጅግና ሰብኣይ ብዓል ቀብጽኤል፡ ዓብዪ ነገር ዝገበረ፡ ንሱ ነቶም ክልተ ደቂ ኣሪኤል ሰብ ሞኣብ ቀተሎም፡ ንሱ ድማ ብግዜ በረድ ናብ ውሽጢ ጒድጓድ ወሪዱ ኣንበሳ ቐተለ። 21ንሱ ኸኣ ንሓደ ምርኡይ ግብጻዊ ሰብኣይ ቀተለ። ኣብ ኢድ እቲ ግብጻዊ ሰብኣይ ቀተለ። ኣብ ኢድ እቲ ግብጻዊ ድማ ኲናት ነበረ፡ ንሱ ግና በትሪ ሒዙ ናብኡ ወረደ፡ ነቲ ዂናት ከኣ ካብ ኢድ እቲ ግብጻዊ መንዚዑ፡ ብገዛእ ኲናቱ ቐተሎ። ሰብኣይ ቀተለ። 22በናያ ወዲ የሆያዳ እዚ ነገር እዚ ገይሩ ነበረ እሞ፡ ኣብ መንጎ እቶም ሰለስተ ጀጋኑ ስሙይ ነበረ። 23ካብቶም ሰላሳ ይኸብር ነበረ፡ ናብቶም ሰለስተ ቐዳሞት ግና ኣይበጽሐን። ዳዊት ከኣ መማኽርቱ ገበሮ።
   24ዓሳሄል ሓው ዮኣብ ካብቶም ሰላሳ ሓደ እዩ፡ ኤልሓናን፡ ወዲ ዶዶ ኻብ ቤት-ልሄም፡ 25ሻማ እቲ ሓሮዳዊ፡ ኤሊቃ እቲ ሓሮዳዊ፡ 26ሔለጽ እቲ ጳልጣዊ፡ ዒራ፡ ወዲ ዒቄሽ እቲ ተቆዓዊ፡ 27ኣቢዔዘር እቲ ዓናቶታዊ፡ ሜቡናይ እቲ ሑሻታዊ፡ 28ጻልሞን እቲ ኣሖሓዊ፡ መሓራይ እቲ ነጦፋታዊ፡ 29ሔለብ፡ ወዲ ባዓና እቲ ነጦፋታዊ፡ ኢታይ፡ ወዲ ሪባ ኻብ ጊብዓ ናይ ደቂ ብንያም። 30በናያሓደ ጲርዓቶናዊ፡ ሂዳይ ካብ ርባታት ጋዓሽ፡31ኣቢ-ዓልቦን እቲ ዓርባታዊ፡ ዓዝማወት እቲ ባርሑማዊ፡ 32ኤልያሕባ እቲ ሻዓልቦናዊ፡ ብኔያሸን፡ ዮናታን፡
33ሻማ እቲ ሃራራዊ፡ ኣሒያም፡ ወዲ ሻራር እቲ ሃራራዊ፡ 34ኤሊ ፈለጥ፡ ወዲ ኣሒቶፌል እቲ ጊሎናዊ፡
35ሔጽራይ እቲ ቀርሜሎሳዊ፡ ጳዓራይ እቲ ኣርባዊ፡ 36ዪጋል፡ ወዲ ናታን ካብ ጾባ፡ ባኒ እቲ ጋዳዊ፡ 37ጸለቅ እቲ ዓሞናዊ፡ ናሓራይ እቲ ብኤሮታዊ፡ ጋሻ ዛግረ ዮኣብ ወዲ ጽሩያ፡ 38ዒራ ዪትራዊ፡ ጋሬብ ዪትራዊ፡ 39ኡርያ እቲ ሔታዊ፡ ኲላቶም ሰላሳን ሾብዓተን እዮም።

         2ይ ሳሙኤል  ምዕራፍ 24            

   1ኲራ እግዚኣብሄር ድማ መሊሱ ኣብ እስራኤል ነደደ። ንዳዊት ከኣ፡ ኪድ ንእስራኤልን ንይሁዳን ቁጸሮም፡ ኢሉ ነቕነቖ። 2ንጉስ ከኣ ንዮኣብ፡ ነቲ ምስኡ ዝነበረ ሓለቓ ሰራዊት፡ ቁጽሪ እቲ ህዝቢ ምእንቲ ኽፈልጥሲ፡ ናብ ኲሎም ነገዳት እስራኤል ካብ ዳን ክሳዕ ብኤር-ሸባዕ ዘርካ ነቲ ህዝቢ ቑጸሮ፡ በሎ። 3ዮኣብ ድማ ንንጉስ፡ ነዚ ህዝቢ እዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸምቲ ዘለዎ ይወስኮ፡ ከምቲ ዘለዎ ኸኣ ሚእቲ ሳዕ የብዝሓዮ፡ ኣዒንቲ ጐይታይ ንጉስ ድማ ይርኣዮ። ግናኸ ጐይታይ ንጉስ ነዚ ነገር እዚ ስለምንታይ ደለዮ በሎ። 4እቲ ቓል ንጉስ ግና ኣብ ዮኣብን ኣብቶም ሓላቑ ሰራዊትን ጸንዐ። ዮኣብን እቶም ሓላቑ ሰራዊትን ከኣ ንህዝቢ እስራኤል ከቘጽሩ ኻብ ቅድሚ ንጉስ ወጹ።
   5ዮርዳኖስ ተሳጊሮም ድማ፡ ኣብ ዓሮዔር፡ ኣብ የማን እታ ኣብ ማእከል ርባ ጋድ ዘላ ኸተማ፡ ንያዕዜር ኣቢሎም ሰፈሩ። 6ናብ ጊልዓድ መጺኦም ድማ ናብ ምድሪ ታሕቲም-ሖድሺ ኣተዉ፡ ናብ ዳን-ያዓን መጺኦም ከኣ፡ ናብ ዙርያ ሲዶን ኣበሉ። 7ናብ ዕርዲ ጢሮስን ናብ ኲለን ከተማታት ሃዋውያንን ከነኣናውያንን መጹ፡ ናብ ደቡብ ይሁዳ ኣብ ብኤር-ሸባዕ ወጹ። 8ንብሃገራ ዞይሮም ድሕሪ ትሽዓተ ወርሕን ዕስራ መዓልትን ናብ የሩሳሌም መጹ። 9ዮኣብ ድማ ጽሕፈት እቲ እተቘጽረ ህዝቢ ንንጉስ ሃቦ። እምበእርሲ ኣብ እስራኤል ሴፍ ዝመዙ ሓያላት ሰብ ሾሞንተ ሚእቲ ሽሕ ኰኑ፡ ሰብ ይሁዳ ኸኣ ሓሙሽተ ሚእቲ ሽሕ ኰነ።
   10ዳዊት ነቲ ህዝቢ ምስ ቈጸሮ ግና፡ ልቡ ወቕዖ። ዳዊት ድማ ንእግዚኣብሄር፡ በዚ ዝገበርክዎ ብዙሕ በዲለ እየ፡ ብዙሕ ከኣ ዓሽየ እየ እሞ፡ ሕጂ ድማ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ በጃካ፡ ነቲ ኣበሳ ባርያኻ ኣርሕቆ፡ በሎ። 11ዳዊት ንጉስ ምስ ተንስኣ ኸኣ፡ ቃል እግዚኣብሄር ናብ ነብዪ ጋድ፡ ናብቲ ናይ ዳዊት ረኣዪ መጺኡ በሎ፡ 12ኪድ ንዳዊት፡ እግዚኣብሄር፡ ሰለስተ ነገር አንብረልካ ኣሎኹ፡ ካብአን ንኣኻ ሓንቲ ሕረ፡ ክገብረልካ ኸኣ እየ፡ ይብል ኣሎ ኢልካ ተዛረቦ። 13ጋድ ድማ ናብ ዳዊት መጺኡ፡ ኣብ ሃገርካ ሾብዓተ ዓመት ጥሜት ክመጸካዶ፧ ወይ ሰለስተ ወርሒ ኻብ ቅድሚ ጸላእትኻ ኽትሃድም፡ ንሳቶም ከኣ ክሰጉኻዶ፧ ወይስ ኣብ ሃገርካ ሰለስተ መዓልቲ ፌራ ክኸውንዶ፧ ሕጂ ነቲ ዝለኣኸኒ እንታይ ከም ዝመልሰሉ፡ ኣስተውዒልካ ርአ፡ ኢሉ ነገሮ። 14ዳዊት ንጋድ፡ ኣዝዩ ጨኒቑኒ ኣሎ፡ ግናኸ ምሕረቱ ብዙሕ እዩ እሞ፡ ኣብ ኢድ እግዚኣብሄር ደኣ ንወድቕ እምበር፡ ኣብ ኢድ ሰብሲ ኣይወድቕን፡ በሎ።
   15ሽዑ እግዚኣብሄር ካብ ንግሆ ጀሚሩ ኽሳዕ እታ ምድብቲ ግዜ ናብ እስራኤል ፌራ ሰደደ። ካብቲ ህዝቢ ኸኣ፡ ካብ ዳን ክሳዕ ብኤር-ሸባዕ፡ ሰብዓ ሽሕ ሰብ ሞተ። 16እቲ መልኣኽ ንየሩሳሌም ከጥፍኣ ኢሉ ኢዱ ምስ ዘርግሐ ድማ፡ እግዚኣብሄር በቲ ኽፉእ ተጣዕሰ፡ ነቲ ህዝቢ ዘጥፍእ መልኣኽ ከኣ፡ ይኣክል፡ ሕጅስ ኢድካ ምለሳ፡ በሎ። እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ከኣ ኣብ ጥቓ ዓውዲ ኣራውና እቲ ይቡሳዊ ነበረ። 17ዳዊት ድማ ነቲ ንህዝቢ ዝወቅዕ ዝነበረ መልኣኽ ምስ ረኣዮ፡ ንእግዚኣብሄር በሎ፡ እንሆ፡ ኣነ እየ ዝበደልኩ፡ ኣነ ኸኣ እየ ኽፉእ ዝገበርኩ፡ እዘን ኣባጊዕ ግና እንታይ ገበራ በጃኻ፡ ኢድካ ናባይን ናብ ቤት ቦይን ትኹን፡ በለ።
   18በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ጋድ ናብ ዳዊት መጹኡ፡ ደይብ፡ ኣብ ዓውዲ ኣራውና እቲ ይቡሳዊ፡ ንእግዚኣብሄር መሰውኡ ኣቑም፡ በሎ። 19ዳዊት ድማ ከምቲ ዘረባ ጋድ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ደየበ። 20ኣራውና ኸኣ ቁሊሕ በለ፡ ንጉስን ገላዉኡን ድማ ናብኡ ኽመጹ ረኣየ። ኣራውና ኸኣ ወጺኡ ብገጹ ናብ ምድሪ ፍግም ኢሉ ንንጉስ ኢድ ነስኣሉ። 21ኣራውና ድማ፡ ስለምንታይ እዩ ጐይታይ ንጉስ ናብ ጊልያኡ መጺኡ ዘሎ፡ በለ። ዳዊት ከኣ፡ እዚ መቕዘፍቲ ኻብ ህዝቢ ምእንቲ ክኽልክል፡ ንእግዚኣብሄር መሰውኢ ኽሰርሓሉ፡ ነዚ ዓውዲ ኻባኻ ኽሻየጥ እየ፡ በለ። 22ኣራውና ድማ ንዳዊት፡ ጐይታይ ንጉስ እቲ ጽቡቕ ኰይኑ እተራእዮ ወሲዱ የዕርግ፡ ንዝሓርር መስዋእቲ ኣብዑር፡ ንዕጨይቲ ኸኣ ሰረገላታትን ናውቲ ማሕረስ ኣብዑርን እነዉ፡ 23ዎ ንጉስ፡ እዚ ዂሉ ኣራውና ንንጉስ ሂብዎ እዩ፡ በለ። ኣራውና ድማ ንንጉስ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ደኣ ይቀበልካ፡ በሎ። 24ንጉስ ግና ንኣራውና፡ ኣይፋል፡ ዋጋ ዘይብሉስ ንእግዚኣብሄር ኣምላኸይ ዝሓርር መስዋእቲ ኣየዕርገሉን እየ እሞ፡ ብዋጋኡ ደኣ ኻባኻ ኽሻየጦ እደሊ ኣሎኹ፡ በሎ። ዳዊት ድማ ነታ ዓውድን ነቶም ኣብዑርን ብሓምሳ ሲቃል ብሩር ዓደጎም። 25ዳዊት ከኣ ኣብኡ ንእግዚኣብሄር መሰውኢ ነደቐ፡ ዝሓርር መስዋእትን መስዋእቲ ምስጋናን ኣዕረገሉ። እግዚኣብሄር ድማ ነታ ሃገር ተለመና፡ እቲ መቕዘፍቲ ኸኣ ካብ እስራኤል ተኸልከለ።

Leave a Reply

መጽሓፍ ቅዱስ ትግርኛ
ብሉይን ሓድሽን ኪዳን
ብሉይ ኪዳን
ሓድሽ ኪዳን
መጽሓፍ ቅዱስ ትግርኛ
ብሉይን ሓድሽን ኪዳን

ብሉይ ኪዳን

ሓድሽ ኪዳን