ትንቢት ሚክያስ
1 2 3 4 5 6 7
ትን.ሚክያስ ምዕራፍ 1
1እቲ ብዘመን ዮታምን ኣሃዝን ህዝቅያስን ነገስታት ይሁዳ፡ ብዛዕባ ሰማርያን የሩሳሌምን ሚክያስ ሞረሽታይ ዝረኣዮ ናብኡ ኸኣ ዝመጾ ቓል እግዚኣብሄር እዚ እዩ፡
2ኣቱም ህዝብታት ኵላትኩም፡ ስምዑ፡ ኣቲ ምድሪ ምስ ምልኣትኪ፡ ጽን በሊ። እግዚኣብሄር ኣምላኽሲ ኣንጻርኩም ይምስክር፡ እወ፡ እግዚኣብሄር ካብ ቅዱስ መቕደሱ። 3እንሆ፡ እግዚኣብሄር ካብ ስፍራኡ ይወጽእ፡ ይወርድ፡ ኣብ በረኽቲ ምድሪ ድማ ይረግጽ እዩ እሞ፡ 4ከም ስምዒ ኣብ ቅድሚ ሓዊ ከምቲ ኣብ ጎቦ ዝውሕዝ ማያት፡ ኣኽራን ኣብ ትሕቲኡ ይመኩ፡ ሽንጭሮታት ከኣ ይጭደዱ። 5እዚ ዅሉ ብሰሪ በደል ያእቆብን ብሰሪ ሓጢኣት ቤት እስራኤልን እዩ። በደል ያእቆብ እንታይ እዩ፡ ሰማርያዶ ኣይኰነትን፡ በረኽቲ ቦታ ይሁዳ እንታይ እዩ፡ የሩሳሌምዶ ኣይኰነትን፡
6ስለዚ ንሰማርያ ኸም ኵምራ እምኒ መሮርን ከም ቦታ ኣታኽልቲ ወይንን ክገብራ እየ። ነእማና ናብ ሽንጭሮ ኸንከራርዎ፡ ንመሰረታ ኸኣ ክቐልዖ እየ። 7እቲ ቕሩጽ ምስልታት ኵሉ ኽሰባብሮ፡ እቲ ዋጋ ምንዝርናኣ ዅሉ ብሓዊ ኽሓርር እዩ። ብዋጋ ምንዝርና ኣኪባቶም፡ መሊሶም ድማ ዋጋ ምንዝርና ክዀኑ እዮም እሞ፡ ኣነ ንዅላቶም ጣኦታታ ኸባድሞም እየ።
8-9ቍስላ ዘይሓዊ እዩ፡ ክሳዕ ይሁዳ መጺኡ፡ ክሳዕ ኣብ ደገ ህዝበይ፡ ክሳዕ የሩሳሌም በጺሑ እዩ እሞ፡ ስለዚ እበክን ዋይዋይ እብልን፡ ተቐንጢጠን ጥራየይ ኰይነን እኸይድ፡ ከም ወኻርያ እበኪ፡ ከም ሰገን ከኣ ደሃይ ሓዘን አድሂ ኣሎኹ። 10ኣብ ጋት ኣይተውርይዎ፡ ብኽያት ኣይትብከዩ፡ ኣብ ቤት ኣፍራ ኣብ ሓመድ ጠንቀላዕላዕ በልኩ። 11ኣቲ ብነውራም ዕርቃን ኣብ ሳፊር እትነበሪ፡ ሕለፊ፡ እታ ኣብ ጾኣናን እትነብር ኣይትወጽእን፡ ብኽያት ቤት-ኤጽል ስፍራኡ ኣሕደገኩም። 12መዓት ካብ እግዚኣብሄር ክሳዕ ደገ የሩሳሌም ወሪዱ እዩ እሞ፡ እታ ኣብ ማሮት እትነብር ስለ እቲ ሰናይ ትሓዝን ኣላ። 13ኣቲ ኣብ ላኪሽ እትነብሪ፡ ነቶም ኣፍራስ ኣብ ሰረገላ ጽመድዮም። በደል እስራኤል ኣባኺ ተረኺቡ እዩ እሞ፡ ንሳ ንጓል ጽዮን መጀመርታ ሓጢኣት ኰነታ። 14ስለዚ ንሞሬሽትጋት ናይ ምስንባት ህያብ ሃቦ፡ ኣባይቲ ኣኽዚብ ንነገስታት እስራኤል ጠባሪ ክኸውን እዩ። 15ኣቲ ኣብ ማሬሻ እትነብሪ፡ እቲ ዝወርሰኪ ኸምጽኣልኪ እየ፡ ክብሪ እስራኤል ክሳዕ ኣዱላም ክመጽእ እዩ። 16ንሳቶም ካባኺ ተማሪኾም ከይዶም እዮም እሞ፡ ስለቶም ደቂ ሓጐስኪ ጸጕርኺ ንጸዪ፡ ርእስኺ ላጽዪ፡ ነቲ ነዃዕኪ ኸም ንስሪ ኣግፍሕዮ።
ትን.ሚክያስ ምዕራፍ 2
1እቶም ኣበሳ ዝምህዙ፡ ኣብ መደቀሲኦም ከኣ እከይ ዘዳልዉ ወይለኦም። ኣብ ስልጣን ኢዶም ስለ ዝዀኑ፡ ብብርሃን ወጋሕታ ይገብርዎ። 2ግራሁ ይደልዩ ይዝርፍዎ ድማ፡ ኣባይቲ ይደልዩ ይወስድዎውን። ንሰብኣይን ንቤቱን፡ እወ፡ ንሰብን ንርስቱን ይጭቍኑ። 3ስለዚ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ክፉእ ዘመን እዩ እሞ፡ እንሆ፡ ክሳድኩም ዘይተልዕሉሉ፡ ተዓቢኹም ከኣ ዘይትኸዱሉ ሕሰም ነዚ ወለዶ እዚ ኽምህዘሉ እየ። 4በታ መዓልቲ እቲኣ ብዛዕባኹም ከምዚ ኢሎም ክምስሉን ቍዝማ ክቍዝሙን እዮም፡ ብጥራስ ተበዝበዝና፡ ነቲ ግደ ህዝበይ ለወጦ፡ ከመይ ኢሉኸ ኣሕደገኒ፡ ነቲ ግርሁናስ ንዓለወኛታት ዓደሎ። 5ስለዚ ኣብ ማሕበር እግዚኣብሄር ነቲ ገመድ መለክዒ ብዕጭ ዘውድቕ የብልካን።
6ነቶም ዝንበዩ፡ ኣይትነበዩ፡ ይብልዎም። ነዚኣቶም እንተ ዘይተነበዩሎም እኳ፡ ነውሪ ኣይክርሕቕን እዩ። 7ኣታ ቤት ያእቆብ እትብሃል፡ መንፈስ እግዚኣብሄርዶ ሓጺር እዩ፡ግብሩኸ እዚ ድዩ፡ ነቲ ብቕንዕና ዝኸይድሲ ቓላተይዶ ሰናይ ኣይኰነን፡ 8ህዝበይ ግና ካብ ቅሩብ ግዜ ጀሚሩ ከም ጸላኢ ተላዕለ፡ ነቶም ጸረ ውግእ ዝዀኑ ሃዲኦም ዝሓልፋስ ባርኖሶም ካብ ልዕሊ ቐሚሾም ትገፉ። 9ነንስቲ ህዝበይ ካብ ኣባይቲ ደስታኣን ትሰጕወን፡ ካብ ደቀን ክብረተይ ንሓዋሩ ትወስዱ። 10ብሰሪ እቲ ሕሱም ጥፍኣት ዘጥፍእ ርኽሰት፡ እዚ ስፍራ ዕረፍትኹም ኣይኰነን እሞ፡ ተንስኡ፡ ኪዱ። 11ኣነ ብዛዕባ ወይንን ብርቱዕ መስተን ክንበየልካ፡ ኢሉ ደድሕሪ ንፋስ ዝስዕብን ሓሶት ዝዛረብን እንተሎ፡ ንሱ ነዚ ህዝቢ እዚ ነብዪ ይኸውን። 12ዎ ያእቆብ፡ ኣነ ክእክበካ፡ ኵለንትናኻ ክእክብ፡ ነቲ ተረፍ እስራኤል ብርግጽ ክእክቦ እየ። ከምተን ኣባጊዕ ቦጽራ፡ ኣብ መጓሰይኣ ኸም ዘላ መጓሰ ብሓባር ክምጽኦ እየ። ካብ ብዝሒ ሰብ እተላዕለ ብርቱዕ ወካዕታ ክኸውን እዩ። 13እቲ ጠሓሲ ኣብ ቅድሚኦም ይድይብ፡ ንሳቶም ይጥሕሱ፡ ናብታ ደገ ኸኣ ይሓልፍ፡ ብእኣውን ይወጹ። ንጉሶም ቀቅድሚኦም ይሓልፍ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ኣብ ርእሶም ይኸውን።
ትን.ሚክያስ ምዕራፍ 3
1ኣነ በልኩ፡ ኣቱም ኣሕሉቕ ያእቆብን መሳፍንቲ ቤት እስራኤል፡ ስምዑ ዀታ፡ ፍርዲ ምፍላጥሲ ኣባካትኩምዶ ኣይኰነን፧ 2ሰናይ እትጸልኡ፡ እከይ ከኣ እትፈትዉ፡ ቈርበቶም እትቐልጥዎም፡ ስጋኦም ካብ ኣዕጽምቶም እተዋርዱ፡ 3ስጋ ህዝበይ ድማ እትበልዑ፡ ቈርበቶም እትቐልጥዎም፡ ዓጻጽምቶም እትሰብሩ፡ ከምቲ ኣብ ቍራዕ፡ ናብ ድስቲ ዝኣቱ ስጋ እትቘራርጽዎ ኢኹም። 4ሽዑ ናብ እግዚኣብሄር ከእውዩ እዮም፡ ንሱ ግና ኣይክመልሰሎምን። በቲ ግዜ እቲ፡ ከምቲ ዝገብርዎ ኽፉእ ግብሮም፡ ገጹ ካብኦም ክሓብእ እዩ።
5እግዚኣብሄር ብዛዕባ እቶም ንህዝበይ ዘስሕቱ፡ በስናኖም ዝነኽሱ፡ ሰላም ዝእውጁ፡ ነቲ ናብ ኣፎም ገለ ዘይህቦም ድማ ውግእ ዘዳልዉሉ ነብያት ከምዚ ይብል ኣሎ፡ 6ስለዚ ኣብ ክንዲ ራእይስ ለይቲ፡ ኣብ ክንዲ ጥንቈላ ኸኣ ጸልማት ክዀነኩም እዩ። ጸሓይ ኣብ ልዕሊ ነብያት ትዓርብ፡ መዓልቲ ድማ ትጽልምቶም። 7እቶም ራእይ ዝርእዩ ኽንውሩ፡ እቶም ጠንቈልቲ ኸኣ ክሓንኩ እዮም፡ ካብ ኣምላኽ ምላሽ የልቦን እሞ፡ ኵላቶም ጭሕሞም ክኸድኑ እዮም። 8ኣነ ግና ንያእቆብ በደሉ፡ ንእስራኤል ከኣ ሓጢኣቱ ኽነግሮስ፡ ብመንፈስ እግዚኣብሄር ሓይልን ፍርድን ትብዓትን መሊኤ ኣሎኹ።
9-10ኣቱም ፍርዲ እትፍንፍኑ፡ ቅኑዕ ዘበለ እትጠውዩ፡ ንጽዮን ብደም ንየሩሳሌም ከኣ ብኣበሳ እትሃንጹ ኣሕሉቕ ቤት ያእቆብን መሳፍቲ ቤት እስራኤልን፡ እዚ ዀታ ስምዑ፡ 11ሓላቑኣ ብመማለጃ ይፈርዱ፡ ካህናታ ብዋጋ ይምህሩ፡ ነብያታ ብገንዘብ ይንበዩ፡ ምስናይ እዚ ኸኣ፡ እግዚኣብሄርዶ ኣብ ማእከልና ኣይኰነን፡ መዓት ኣይወርደናን እዩ፡ ኢሎም ኣብ እግዚኣብሄር ይጽግዑ። 12ስለዚ ብሰርኹም ጽዮን ከም ግራት ክትሕረስ፡ የሩሳሌም ከኣ ኵምራ ኣእማን ክትከውን፡ ደብሪ እታ ቤትውን ኵርባ ዱር ክኸውን እዩ።
ትን.ሚክያስ ምዕራፍ 4
1በተን ዳሕሮት መዓትታት ክኸውን እዩ፡ እቲ ደብሪ ቤት እግዚኣብሄር ኣብ ርእሲ ኣኽራን ክጸንዕ፡ ኣብ ልዕሊ ዅድኵዶታት ከኣ ልዕል ክብል እዩ። ህዝብታት ድማ ናብኡ ኽውሕዙ እዮም። 2ሕጊ ካብ ጽዮን፡ ቃል እግዚኣብሄር ከኣ ካብ የሩሳሌም ክወጽእ እዩ እሞ፡ ብዙሓት ህዝብታት ክኸዱ፡ ንዑናይ ናብ ከረን እግዚኣብሄር ናብ ቤት ኣምላኽ ያእቆብን ንደይብ፡ ንሱ ኸኣ ጐደናታቱ ኽምህረና እዩ፡ ንሕናውን ብመገድታቱ ኽንመላለስ ኢና፡ ከኣ ክብሉ እዮም። 3ኣብ መንጎ ብዙሓት ህዝብታት ክፈርድ፡ ንብርቱዓት ህዝብታት ድማ ክሳዕ ርሑቕ ክዳንዮም እዩ። ንሳቶም ከኣ ኣስያፎም ንማሕረሻታት፡ ኵናውቶም ድማ ንገዘሞታት ክሰርሕዎ እዮም፡ ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሰይፊ ኣይከልዕልን እዩ፡ ደጊምሲ ውግእ ኣይክምሃሩን እዮም። 4ኣፍ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ተዛሪብዎ እዩ እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ትሕቲ ተኽሊ ወይኑን ኣብ ትሕቲ ኦም በለሱን ክቕመጥ እዩ፡ ዘፍርሆም ከኣ የልቦን። 5ኵሎም እቶም ህዝብታት ነፍሲ ወከፎም በብስም ኣምላኾም ክመላለሱ እዮም፡ ንሕናውን ንዘለኣለም ብስም እግዚኣብሄር ኣምላኽና ክንመላለስ ኢና።
6በታ መዓልቲ እቲኣ ነታ ሓንካስ ክእክባ፡ ነታ እተሰጐትን ነታ ኣነ ዘጨነቕክዋን ከሕብረን እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር። 7ነታ ሓንካስ ንተረፍ፡ ነታ ናብ ርሑቕ እተሰጐት ከኣ ብርቱዕ ህዝቢ ኽገብረን እየ። እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ልዕሊኦም ኣብ ከረን ጽዮን ካብ ሕጂ ንዘለኣለም ክነግስ እዩ። 8ኣታ ግምቢ መጓሰ፡ ኣታ ዅርባ ጓል ጽዮን፡ ናባኻ ኽትመጽእ፡ እወ፡ እታ ጥንታዊት ግዝኣት፡ እታ መንግስቲ ጓል የሩሳሌም ክትመጻካ እያ።
9እምብኣርሲ ስለምንታይ ደኣ ዓው ኢልኪ እትጭድሪ፡ ከምእ ትሓርስ ሰብይቲ ቕልውላው ዝሕዘክስ፡ ንጉስዶ ኣብ ማእከልኪ የሎን፡ መኻሪኽዶ ጠፊኡ እዩ፡ 10ኣቲ ጓል ጽዮን፡ ሕጂ ካብታ ኸተማ ኽትወጺ፡ ኣብ መሮር ከኣ ክትስፍሪ፡ ክሳዕ ባቢሎን ድማ ክትመጺ ኢኺ። ኣብኡ ኽትድሕኒ ኢኺ: ኣብኡ እግዚኣብሄር ኸብጀወኪ እዩ እሞ፡ ከም እትሓርስ ሰበይቲ ኣቕለልውን ተጨነቕን።
11ሕጂ ኸኣ፡ ትርከስ፡ ኣዒንትና ድማ ናብ ጽዮን ይጥምታ፡ ዝብሉ ብዙሓት ህዝብታት ተኣከቡኺ። 12ንሳቶም ግና ሓሳብ እግዚኣብሄር ኣይፈለጡን ምኽሩውን ኣየስተውዓሉን፡ ንሱስ ከም እንዳእቲ ናብ ዓውዲ ይእክቦም ኣሎ። 13ኣቲ ጓል ጽዮን ቀርንኺ ሓጺን፡ ሸኾናኺ ድማ ነሓሲ ክገብሮ እየ እሞ፡ ተንስኢ፡ ኣኺዲ፡ ብዙሓት ህዝብታት ከኣ ክትሰባብሪ ኢኺ፡ ኣነውን ዘመቲኦም ንእግዚኣብሄር፡ ሃብቶም ድማ ንጐይታ ዅላ ምድሪ ክቕድሶ እየ።
ትን.ሚክያስ ምዕራፍ 5
1ኣቲ ጓል ጭፍራ፡ ጭፍራኺ ኣክቢ፡ ብኽቢ ይኸቡና፡ ነቲ ፈራዲ እስራኤል ብበትሪ ምዕጕርቱ ይወቕዕዎ።
2ግናኸ፡ ኣቲ ኣብ ማእከል ኣሽሓት ይሁዳ ዝነኣስኪ ቤት-ልሄም ኤፍራታ፡ እቲ ምውጻኡ ካብ ጥንቲ ካብ ዘለኣለም ዝዀነ፡ ኣብ እስራኤል ገዛኢ ዝኸውን ካባኺ ኸወጸለይ እዩ። 3ስለዚ ኽሳዕ እታ ወላዲት እትወልደሉ ዘመን ኣሕሊፉ ኽህቦም እዩ። ሽዑ እቶም ተረፍ ኣሕዋቱ ናብ ደቂ እስራኤል ክምለሱ እዮም። 4ንሱ ብሓይሊ እግዚኣብሄር ብግርማ ስም እግዚኣብሄር ኣምላኹን ክቐወምን ክጓስን እዩ። ሽዑ ንሱ ኽሳዕ ወሰን ምድሪ ዓብዪ ክኸውን እዩ እሞ፡ ንሳቶም ክነብሩ እዮም። 5ንሱ ሰላም ክኽውን እዩ። እቲ ኣሶራዊ ናብ ሃገርና ምስ መጸ፡ ኣብ ኣዳራሽና ኸኣ ምስ ረገጸ፡ ንሕና ሾብዓተ ጓሶትን ሾሞንተ መሳፍንቲ ሰብን ኣንጻሩ ኸነተንስኣሉ ኢና። 6ንሃገር ኣሶር ብሰይፊ፡ ንሃገር ኒምሮድ ከኣ ኣብ ደጌታታ ኸጥፍእወን እዮም። ንሱ ናብ ሃገርና ምስ መጸ፡ ኣብ ዶብና ድማ ምስ ረገጸ፡ ካብቲ ኣሶራዊ ኸናግፈና እዩ። 7እቲ ተረፍ ያእቆብ ኣብ ማእከል ብዙሓት ህዝብታት ከምቲ ንሰብ ዘይጽበ፡ ብደቂ ሰብ ከኣ ተስፋ ዘይገብር፡ ከም ኣውሊ ኻብ እግዚኣብሄር፡ ከም ካፋ ኣብ ሳዕሪ ክኸውን እዩ። 8እቲ ተረፍ ያእቆብ ከኣ ኣብ መንጎ ኣህዛብ፡ ኣብ ማእከል ብዙሓት ህዝብታት ከም ኣንበሳ ኣብ ማእከል እንስሳ ዱር፡ ከም ሽደን ኣብ ማእከል መጓሰ ኣባጊዕ ክኸውን እዩ። ንሱ ኽሓልፍ ከሎ፡ ይረጋግጽን ይሰላልዕን ዘናግፍ ድማ የልቦን። 9ኢድካ ኣብ ልዕሊ ተጻረርትኻ ልዕል ትበል፡ ኵሎም ጻላእትኻውን ይጽነቱ።
10እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ክኸውን እዩ፡ ነፍራስካ ካብ ማእከልካ ኸጥፍኦም፡ ንሰረገላታትካ ኸኣ ክሰባብሮ እየ። 11ንኸተማታት ሃገርካ ኸጥፍአን፡ ንዅሉ ዕርድታትካ ድማ ከፍርሶ እየ። 12ካብ ኢድካ ኣስማትነት ከጥፍእ እየ፡ ጠንቈልቲ ኸኣ ኣይክህልዉኻን እዮም። 13ነቲ ጽሩብ ምስልታትካን ሓወልትታትካን ካብ ማእከልካ ኸጥፍኦ እየ። ድሕርዚውን ነቲ ሰራሕ ኣእዳውካ ኣይክትሰግደሉን ኢኻ። 14ነተን ኣስታርቴታትካ ኻብ ማእከልካ ኽምንቍሰን፡ ንኸተማታትካ ኸኣ ከፍርሰን እየ። 15ኣብቶም ዘይሰምዑ ህዝብታትውን ብቝጥዓን ብነድርን ሕነ ኽፈዲ እየ።
ትን.ሚክያስ ምዕራፍ 6
1እቲ እግዚኣብሄር ዝዛረቦ ስምዑ፡ ተንስእ፡ ኣብ ቅድሚ ኣኽራን ፍረድ፡ ንዅድዅዶታት ከኣ ደሃይካ ኣስምዓዮም። 2እግዚኣብሄር ምስ ህዝቡ ነገር ኣለዎ፡ ምስ ኣስራኤል ድማ ክካታዕ እዩ እሞ፡ ኣቱም ኣኽራን፡ ንስኻትኩምውን ጽኑዓት መሰረት ምድሪ፡ ነገር እግዚኣብሄር ስምዑ። 3ኣታ ህዝበይ፡ እንታይ ገይረካ እየ፡ብምንታይከ ኣድከምኩኻ፡እስኪ መስክረለይ። 4ኣነ ካብ ሃገር ግብጺ ኣውጺኤካ፡ ካብ ቤት ባርነት ኣድሒነካ፡ ንሙሴን ኣሮንን ሚርያምን ከኣ ቀቅድሜኻ ሰዲደዮም እየ እሞ፡ 5ኣታ ህዝበይ፡ ጽድቂ እግዚኣብሄር ክትፈልጥሲ፡ ነቲ ባላቅ ንጉስ ሞኣብ ዝመኸሮ፡ በለዓም ወዲ ቤዖር ከኣ ዝመለሰሉ፡ ካብ ሺጢም ክሳዕ ጊጋል ዝዀነውን ዘክር።
6ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እንታይ ሒዘ ክመጽእ፡ ከመይ ገይረኸ ኣብ ቅድሚ ልዑል ኣምላኽ ክሰግድ እየ፡ ዝሓርር መስዋእትን ኣባትይ ሓደ ዓመት ንከቕርብዶ ናብቅድሚኡ ኽመጽእ እየ፡ 7እግዚኣብሄርዶ በሽሓት ደዓውልን በእላፋት ወሓይዝ ዘይትን ባህ ይብሎ እዩ፡ስለ በደለይ በዅሪ ወደይ፡ ስለ ሓጢኣት ነፍሰይ ከኣ ፍረ ኸርሰይዶ ኽውፊ እየ፡ 8ኣታ ሰብ፡ ንሱ ሰናይ ዘበለ ኣፍለጠካ፡ እግዚኣብሄርሲ፡ ቅንዕና ኽትገብር፡ ምሕረት ከኣ ክትፈቱ፡ ምስ ኣምላኽካውን ብትሕትና ኽትመላለስ እንተ ዘይኰኑስ፡ ካባኻ ዝደልዮ እንታይ እዩ፡ 9ደሃይ እግዚኣብሄር ነታ ኸተማ ይጽውዓ ጥበብ ከኣ ንስምካ ኽትርኢ እያ። ነቲ ሸቦጥን ነቲ ዘዳለዎን ሰምዑ። 10እቲ መዛግብ ረሲእነትን እቲ ጽዩፍ ጐደሎ ኤፋንዶ ገና ኣብ ቤት ረሲእ ኣሎ እዩ፡ 11ኣነዶ ብሚዛን ረሲእነን በቲ ኸረጺት ጠባሪ መምዘንን ንጹህ ክኸውን እየ፡ 12እቶም ሃብታማታ ዓመጽ ዝመልኡ እዮም፡ እቶም ኣብኣ ዝነብሩ ድማ ሓሶት ይዛረቡ፡ ልሳኖምውን ኣብ ኣፎም መታለሊት እያ። 13ስለዚ ኣነ ድማ ብሰሪ ሓጢኣትካ ክሳዕ እትደክምን እትፈርስን ክወቕዓካ እየ። 14ንስኻ ትበልዕ፡ ግናኸ ኣይትጸግብን፡ ውርደትካ ኣብ ውሽጥኻ ክኸውን እዩ፡ ትሕዝ፡ ግናኸ ኣይተድሕንን፡ እቲ ዘድሓንካዮ ኸኣ ንኣደዳ ሰይፊ ኽምጥዎ እየ። 15ንስኻ ትዘርእ፡ ግናኸ ኣይትዓጽድን፡ ፍረ ኣውልዕ ትጐድእ፡ ግናኸ ዘይቲ ኣይትልከን። ኰልዒ ወይኒ ትጸምቝ፡ ወይኒ ግና ኣይትሰትን። 16ኣነ ንኣኺ መሰክሒ ፡ነቶም ኣብኣ ዝነብሩ ኸኣ ንፋጻ ኽገብርሲ፡ ስርዓት ኦምርን ኵሉ ግብሪ ቤት ኣሃብን ይሕልዉ፡ ንስኻትኩም ድማ ብምኽሮም ትመላለሱ ኣሎኹም እሞ፡ ጸርፊ ህዝበይ ክትጾሩ ኢኹም።
ትን.ሚክያስ ምዕራፍ 7
1ኣነ ኸምቲ ፍረ ቀውዒ ምስ ተቐንጠበን፡ ከምቲ ድሕሪ ምብታኽ ወይኒ ቐሪም ምስ ተቐረመን፡ ዝብላዕ ዘለላ ዘይብለይ ኰይነ እየ እሞ፡ ወይለይ፡ እታ ነፍሰይ እተትምነየታ በዅሪ ፍረ በለስ እኳ የላን። 2ጻድቕ ካብ ምድሪ ጠፍአ፡ ኣብ ማእከል ሰብ ድማ ቅኑዕ የልቦን። ኵላቶም ንደም የድብዩ፡ ነፍሲ ወከፍ ንሓዉ ብመርበብ ይሃድኖ። 3ተጠንቂቖም ክገብርዎስ፡ ኣእዳዎም ንኽፉእ ድልዋት እየን። መስፍን፡ ሃቡኒ፡ ይብል፡ ፈራዲ ኸኣ ብረብሓ ይፈርድ፡ ዓብዪውን ህርፋን ነፍሱ ይዛረብ፡ በዚ ድማ ክፍኣት ይጕንጕኑ። 4እቲ ካባታቶም ዝሐሸ ኸም ተዀርባ እዩ፡ እቲ ዝቐንዐ ኸኣ ካብ ሓጹር እሾዅ ይገድድ፡ እታ መዓልቲ ሓለውትኻ፡ እታ መዓትካ፡ መጸት፡ ሕጂ ኽሽበሩ እዮም። 5-6ወዲ ነቦኡ ይንዕቕ፡ ጓል ኣብ ልዕሊ ኣዲኣ፡ መርዓት ከኣ ኣብ ልዕሊ ሓማት ይለዓላ፡ ንሰብ ጸላእቱ ቤተ ሰቡ ዀይኖም እዮም እሞ፡ ንብጻይ ኣይትእመንዎ፡ ብፈታዊ ድማ ኣይትተኣመኑ፡ ኣብ ቅድሚ እታ ኣብ ሕቝፍኻ እትዓርፍውን ደገ ኣፍካ ሓሉ።
7ኣነ ግና ናብ እግዚኣብሄር እጥምት፡ ንኣምላኽ ምድሓነይ ድማ ተስፋ እገብር ኣሎኹ፡ ኣምላኸይውን ክሰምዓኒ እዩ። 8ኣቲ ጸላኢተይ፡ እንተ ወደቕኩ ኽትንስእ እየ፡ ኣብ ጸልማት እንተ ተቐመጥኩውን፡ እግዚኣብሄር ብርሃነይ እዩ እሞ፡ ብኣይ ኣይትተሓጐሲ። 9ንእግዚኣብሄር በዲለዮ እየ እሞ፡ ንሱ ነገረይ ክሳዕ ዝሕዘለይ ፍትሒውን ክሳዕ ዘውጽኣለይ፡ ንቝጥዓኡ ክጽመሞ እየ። ናብ ብርሃን ከውጽኣኒ እዩ፡ ጽድቁውን ክርኢ እየ። 10ሽዑ እታ፡ ኣበይ ኣሎ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ ዝበለትኒ ጸላኢተይ ክትርእዮን ሓፍረት ክትክደንን እያ። ኣዒንተይ ክርእያኣ እየን፡ ሕጂ ኸም ጭቓ መገዲ ኽትርገጽ እያ።
11እታ መካበብያኺ እትስርሓላ መዓልቲ ኽትመጽእ እያ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ እቲ ዶብ ክርሕቕ እዩ። 12በታ መዓልቲ እቲኣ ካብ ኣሶርን ካብ ከተማታት ግብጽን፡ ካብ ግብጺ ድማ ክሳዕ እቲ ርባ፡ ካብ ባሕሪ ኽሳዕ ባሕሪ፡ ካብ ከረንውን ክሳዕ ከረን ናባኺ ኽመጹ እዮም። 13እታ ሃገር ግና ንምኽንያት እቶም ኣብኣ ዝነብሩን ብሰሪ ፍረ ግብሮምን ክትባድም እያ። 14ንህዝብኻ፡ ነታ ኣብ ዱር፡ ኣብ ማእከል ቀርሜሎስ ንበይና እትነብር ዘላ መጓሰ ርስትኻ ብበትርኻ ጓሲ። ከምቲ ናይ ቀደም ዘመን ኣብ ባሳንን ኣብ ጊልዓድን ጓስዮ። 15ከምቲ በተን ካብ ሃገር ግብጺ ዝወጻእካለን መዓልታት፡ ተኣምራት ከርእዮም እየ። 16ኣህዛብ ክርእዩ፡ ብሓይሎም ዘበለ ዅሉውን ክሓንኩ እዮም። ኢዶም ኣብ ኣፎም ከንብሩ፡ ኣእዛኖም ክጸሙ እዮም። 17ከም ተመን ሓመድ ክልሕሱ፡ ከም ለመምታ ምድሪ እናንቀጥቀጡ ኻብ ቤቶም ክወጹ፡ ራዕራዕ እናበሉ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኽመጹ፡ ንኣኻውን ክፈርሁ እዮም።
18ከማኻ ዝበለ ኣምላኽ፡ ኣበሳ ዝሓድግ፡ ነቲ በደል ካብቶም ተረፍ ርስቱ ዘሕልፍ መን እዩ፡ ምሕረት እዩ ዝፈቱ እሞ፡ ኵራኡ ንዘለኣለም ኣይዓቍርን። 19መሊሱ ይርሕርሓልና፡ ንኣበሳና ኣብ ትሕቲ እግሩ ይረግጾ። ንዅሉ ሓጢኣቶም ናብ መዓሙቝ ባሕሪ ትድርብዮ። 20ነቲ ኻብ ዘመን ጥንቲ ጀሚርካ ነቦታትና ዝመሓልካሎም፡ ሓቂ ንያእቆብ፡ ምሕረት ከኣ ንኣብርሃም ክትገብረሎም ኢኻ።