ትንቢት ጸፎንያስ
1 2 3
ትን.ጸፎንያስ ምዕራፍ 1
1እቲ ብዘመን ዮስያስ፡ ወዲ ኣሞን ንጉስ ይሁዳ፡ ናብ ጸፎንያስ ወዲ ኩሺ፡ ወዲ ግዳልያ፡ ወዲ ኣማርያ፡ ወዲ ህዝቅያስ፡ ዝመጸ ቓል እግዚኣብሄር እዚ እዩ።
2ኣነ ንብዘሎ ዅሉ ኻብ ዝባን ምድሪ ኸጥፍኦ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር። 3ኣነ ንሰብን እንስሳን ከጥፍኦም እየ፡ ነዕዋፍ ሰማይን ዓሳታት ባሕርን ንመዓንቀፊታት ምስናይ እቶም ረሲኣንን ከጥፍኦም እየ፡ ንሰብውን ካብ ገጽ ምድሪ ኸጽንቶም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
4ኣብ ልዕሊ ይሁዳን ኣብ ልዕሊ እቶም የሩሳሌም ዝነብሩ ዅላቶምን ኢደይ ክዝርግሕ እየ፡ ካብዚ ቦታ እዚ ንተረፍ በዓል፡ ንስም ካህናት ጣኦታት፡ ምስናይ እቶም ካህናት ከጽንቶም እየ፡ 5ነቶም ኣብ ልዕሊ ናሕሲ ንሰራዊት ሰማይ ዝሰግዱን ነቶም ንእግዚኣብሄር ዝሰግዱን ዝምሕሉን ነቶም ብማልካም ዝምሕሉን፡ 6ነቶም ካብ እግዚኣብሄር ዝርሕቁን ንእግዚኣብሄር ዘይደልይዎን ዘይሓትዎን ከጽንቶም እየ።
7መዓልቲ እግዚኣብሄር ቀሪባ እያ፡ እግዚኣብሄር መስዋእቲ ሕሩድ ኣዳልዩ፡ ነቶም ዕዱማቱ ኸኣ ቀዲስዎም እዩ እሞ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ስቕ በሉ። 8ክኸውን ድማ እዩ፡ በታ መዓልቲ ሕሩድ እግዚኣብሄር፡ ኣነ ነቶም መሳፍንትን ደቂ ንጉስን ነቶም ክዳን ጓኖት ዝኽደኑን ክቐጽዖም እየ። 9በታ መዓልቲ፡ እቲኣ ኣነ ነታ ልዳት ዝዘልዋ፡ ነቶም ንቤት ጐይታኦም ብዓመጽን ብጥበራን ዝመልእዋ ዅላቶም ክቐጽዖም እየ። 10እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ደሃይ ጭድርታ ኻብ ደገ ዓሳ፡ ኣውያት ከኣ ካብቲ ኻልኣይ ደገ፡ ካብ ኵርባታት ድማ ዓብዪ ምስብባር ክስማዕ እዩ። 11ኵሉ ህዝቢ ኸነኣን ጠፊኡ፡ እቶም ብሩር እተሰከሙ ዅላቶም ጸኒቶም እዮም እም፡ ኣቱም ኣብ መኽቴሽ እትነብሩ፡ ብኸዩ።
12በቲ ዘመን እቲ ክኸውን እዩ፡ ኣነ ንየሩሳሌም ብመብራህቲ ኽጕርጕራ እየ፡ ነቶም ኣብ ሓተላኦም እተቐመጡን ብልቦም፡ እግዚኣብሄርሲ ጽቡቕ ኣይገበር: ክፉእውን ኣይገብር፡ ዝብሉን ሰባት ክቐጽዖም እየ። 13ገንዘቦም ክዝመት፡ ኣባይቶም ክባድም እዩ። ኣባይቲ ኽሰርሑ፡ ግናኸ ኣይክነብርዎን፡ ኣታኽልቲ ወይኒ ኽተኽሉ፡ ወይኑ ግና ኣይክሰትዩን እዮም።
14እታ ዓባይ መዓልቲ እግዚኣብሄር፡ ድምጺ መዓልቲ እግዚኣብሄር ቀሪባ፡ ቀሪባ እያ፡ ኣዝያ ኸኣ ትቕልጥፍ ኣላ። ሽዑ እቲ ጅግና ኣምሪሩ የእዊ። 15እታ መዓልቲ እቲኣ መዓልቲ ቝጥዓ፡ መዓልቲ ጸበባን መከራን፡ መዓልቲ ምዕናውን ምብዳምን፡ መዓልቲ ጸልማትን ጣቓን መዓልቲ ደበናን ግብ ዝበለ ጸልማትን እያ። 16ነተን ዕሩዳት ከተማታትን በረኽቲ ግምብታትን መዓልቲ መለኸትን ኣውያትን እያ።
17እቶም ሰብ ንእግዚኣብሄር ስለ ዝበደሉ፡ ከጽብበሎም እየ፡ ከም ዕዉራት ድማ ክመላለሱ እዮም። ደሞም ከም ሓመድ ክክዖ እዩ፡ ስጋኦም ከኣ ከም ጐሓፍ። 18ነቶም ኣብታ ሃገር ዚነብሩ ዅላቶም ብድንገት ጥራስ ከጥፍኦም እዩ እሞ፡ በታ መዕልቲ ቝጥዓ እግዚኣብሄርሲ ብሩሮም ወይስ ወርቆም ኣይከናግፎምን እዩ፡ ግናኸ ዅላ እታ ሃገር ብሓዊ ቕንኣቱ ኽትወሓጥ እያ።
ትን.ጸፎንያስ ምዕራፍ 2
1-2ኣቱም ዘይትሓፍሩ ህዝቢ፡ እቲ ትእዛዝ ከይወለደ፡ እታ መዓልቲ ኸም ብቝቡቝ ከይሓለፈት፡ እቲ ርሱን ቑጥዓ ኣግዚኣብሄር ከይወረደኩም፡ እታ መዓልቲ ቑጥዓ እግዚኣብሄር ከይወረደትኩም፡ ተኣከቡ፡ ተኣከቡ። 3ኣቱም ፍርዱ እትገብሩ ትሑታት ምድሪ ኹላትኩም፡ ንእግዚኣብሄር ድለይዎ። ምናልባሽ በታ መዓልቲ ቝጥዓ እግዚኣብሄር እንተ ተሓባእኩምሲ፡ ጽድቂ ድለዩ፡ ትሕትና ድለዩ።
4እምብኣርሲ ጋዛ ኽትሕደግ፡ ኣስቃሎን ክትባድም፡ኣሽዶድ ብቐትሪ ኽትስጐጕ፡ ዔቕሮን ድማ ክትምንቆስ እያ። 5ነቶም ኣብ ገምገም ባሕሪ ዝነብሩ ሰብ፡ ህዝቢ ክረታውያን፡ ወይለኦም። ኣቲ ከንኣን ሃገር ፍልስጥኤማውያን፡ ቃል እግዚኣብሄር ኣንጻርኪ እዩ፡ ሓደ እኳ ኸይነብረክስ ከጥፍኣኪ እየ። 6እቲ ገምገም ባሕሪ ድማ መጓሰይን ኣግነት ጓሶትን ደምበ ኣባጊዕን ክኸውን እዩ። 7እቲ ገምገም ከኣ ነቲ ተረፍ ቤት ይሁዳ ክኸውን እዩ፡ ኣብኡ ኽጓሰዩ እዮም። እግዚኣብሄር ኣምላኾም ክበጽሖም፡ ካብ ምርኮ ድማ ክመልሶም እዩ እሞ፡ ምሸት ኣብ ኣባይቲ ኣስቃሎን ክድቅሱ እዮም።
8ኣነ ነቶም ንህዝበይ ዝጸርፍዎን ኣብ ልዕሊ ዶቦም ርእሶም ዘዕበዩን ጸርፊ ሞኣብን ምብጫው ደቂ ዓሞንን ሰማዕኩ። 9ስለዚ ኣነ ህያው እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ ኣምላኽ እስራኤል፡ ብርግጽ ሞኣብ ከም ሰዶም፡ ደቂ ዓሞን ከኣ ከም ጎሞራ፡ ግዝኣት ቈጥቋጥን ጕድጓድ ጨውን ናይ ዘለኣለም ምድረ በዳን፡ ክዀኑ እዮም። ተረፍ ህዝበይ ክዘምቶም፡ ሓድጊ ህዝበይውን ክርስተዮም እዩ። 10ንህዝቢ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ጸሪፎምዎን ተዓብዮምሉን እዮም እሞ፡ እዚ ብሰሪ ትዕቢቶም ክወርዶም እዩ። 11እግዚኣብሄር ንዅሎም ኣማልኽቲ ምድሪ ኸጥፍኦም እዩ እሞ፡ ኣባታቶም መሰክሒ ክኸውን እዩ። ኵሎም ደሴታት ኣህዛብ ከኣ፡ ነፍሲ ወከፍ ከካብ ቦታኦም ክሰግዱሉ እዮም። 12ንስኻትኩም ኢትዮጵያውያን ድማ፡ ብሰይፊይ ክትቅተሉ ኢኹም።
13ኢዱ ኸኣ ናብ ሰሜን ኣቢሉ ኽዝርግሕ እዩ እሞ፡ ንኣሶር ከጥፍኣ፡ ንነነዌ ድማ ከባድማን፡ ከም ምድረ በዳ ደረቕ ክገብራን እዩ። 14ኣብ ማእከላ መጓሴታት፡ ኵለን እንስሳ ኣህዛብ፡ ክሰፍራ እየን፡ ኣምባጉምባሕን ቅንፍዝን ኣብ ልዕሊ ጉልላታ ኽሓድሩ እዮም፡ ኣብ መስኰት ድምጺ ይዝምር፡ እቲ ተኸዲንዎ ዝነበረ ኦም ሊባኖስ ክቕላዕ እዩ እሞ፡ እቲ ልዳውቲ ኽባድም እዩ። 15እታ ሃዲኣ እትነብርን ብልባ ኸኣ፡ ኣነ እየ፡ ብጀካይ ሓደ እኳ የልቦን፡ እትብልን ሕጕስቲ ኸተማ እዚኣ እያ። ከመይ ኢላ ባደመት ማሕደር ኣራዊትውን ኰነት፡ ብእኣ ዝሓልፍ ዘበለ ይፋጽን ኢዱ ይንዝንዝን።
ትን.ጸፎንያስ ምዕራፍ 3
1እታ ዓላዊትን ርኽስትን፡ እታ ገፋዒት ከተማ ወይለኣ። 2ድምጺ ኣይትሰምዕን፡ ቅጽዓት ኣይትቕበልን፡ ኣብ እግዚኣብሄር ኣይትውከልን፡ ናብ ኣምላኽ ኣይትቐርብን። 3መሳፍንታ ኣብ ማእከላ ጓዘምቲ ኣናብስ እዮም፡ ፈራዶኣ ንንግሆ ገለ እኳ ዘየትርፉ ተዃሉ ምሸት እዮም። 4ነብያታ መጓበብትን ጠበርትን ሰብኡት እዮም፡ ካህናታ ንመቕደስ ኣርከስዎ፡ ንሕጊ ዓመጽዎ።
5እግዚኣብሄር ኣብ ማእከላ ጻድቕ እዩ፡ንሱ ኣይእብስን፡ ንግሆ ንግሆ ኸየብኰረ ፍርዱ ናብ ብርሃን የውጽእ፡ ዓማጺ ግና ሓንከት ኣይፈልጥን። 6ኣነ ንህዝብታት ኣጽነትኩ፡ ግምብታቶም ዓነወ፡ ንመገድታቶም፡ ሓደ እኳ ኸይሓልፈን፡ ኣባደምክወን፡ ከተማታቶም ሓደ ሰብ ዘይብለን፡ ዝነብረለን እኳ ዘይብለን ኰይነን ጠፍኣ። 7ኣነ ኸኣ፡ ኣየ፡ እንተ ትፈርህንስ፡ መቕጻዕቲ ኸኣ እንተ ትቕበልስ፡ በልኩ። ሽዑ ሰፈራ በቲ እተጻባጸብክዋ ዅሉ ኣይምጠፍአትን፡ ንሳቶም ግና ንግሆ ተንሲኦም ኵሉ ግብሮም ኣባላሸዉ።
8እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኵላ ምድሪ ብሓዊ ቕንኣተይ ክትውሓጥሲ፡ ኵራይን ርሱን ቍጥዓይን ምእንቲ ከፍስሰሎም፡ ነህዛብ ክእክቦም፡ ንመንግስትታት ከኣ ክኣኻኽቦም ፍርደይ እዩ እሞ፡ ስለዚ ኽሳዕ እታ ንዘመተ ዝለዓለላ መዓልቲ ተጸበዩኒ። 9ስለዚ ዅላቶም ንስም እግዚኣብሄር ክጽውዑን ሓቢሮም ከኣ ከገልግልዎንሲ፡ ሽዑ ንህዝብታት ጽሩይ ከናፍር ክመልሰሎም እየ። 10ካብ ክንየው ርባታት ኢትዮጵያ እቶም ተማህለልተይ፡ ፋሕ ዝበሉ ደቀይ፡ መባእ ከምጽኡለይ እዮም። 11ሽዑ ኣነ ነቶም ብዅርዓትኪ ባህ ዝብሎም ካብ ማእከልኪ ኸውጽኦም እየ፡ ንስኺ ድማ ድሕርዚ ኣብቲ ቅዱስ ከረነይ ኣይክትኰርዕን ኢኺ እሞ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ በቲ ንኣይ ዝበደልክሉ ዅሉ ግብርኺ ኣይክትሓንክን ኢኺ። 12ኣብ ማእከልኪ ሽጉርን ድኻን ህዝቢ ኽሓድግ እየ፡ ንሳቶምውን ብስም እግዚኣብሄር ክእመኑ እዮም። 13ክጓሰዩን ክድቅሱን እዮም፡ ዘሰምብዶም ድማ የልቦን እሞ፡ እቶም ተረፈ እስራኤል ኣይክብድሉን ኣይክሕስዉን እዮም፡ ኣብ ኣፎም ከኣ ጠላሚት ልሳን ኣይክትርከብን እያ።
14ኣቲ ጓል ጽዮን፡ ዘምሪ፡ ኣታ እስራኤል፡ እልል በል፡ ኣቲ ጓል የሩሳሌም፡ ብዅሉ ልብኺ ተሓጐሲ ባህ ከኣ ይበልኪ። 15እግዚኣብሄ ንፍርድኺ ኣርሓቖ፡ ንጸላኢኺ ሰጐጎ፡ እግዚኣብሄር ንጉስ እስራኤል ኣብ ማእከልኪ እዩ፡ ድሕርዚ ኸኣ ገለ ኽፉእ ዘፍርህ የብልክን። 16-17በታ መዓልቲ እቲኣ ንየሩሳሌም፡ ዎ ጽዮን ኣይትፍርሂ፡ ኣእዳውኪ ኣይተሓለላ፡ ኣግዚኣብሄር ኣምላኽኪ ኣብ ማእከልኪ ዘድሕን ጅግና እዩ፡ ብኣኺ ሓጐስ ክሕጐስ እዩ፡ ብፍቕሩ ኽሃድእ፡ ብኣኺ እልል እናበለ ኽሕጐስ እዩ፡ ክብልዋ እዮም።
18ነቶም ብዛዕባ ኣኼባ በዓላት ዝጕህዩ ኽእክቦም እየ፡ ናትኪ እዮም፡ ጾሮም ጸርፊ ነበረ። 19እንሆ፡ በቲ ግዜ እቲ ነቶም ዝጭቍንኺ ዅሎም ክጻረሮም እየ፡ ነታ ዝሓንከሰት ከድሕና፡ ነታ እተሰጐት ከኣ ክእክባ፡ ኣብቲ ዝነወርዎ ዅሉ ነገራት ክቡራትን ስሙያትን ክገብሮም እየ። 20ነቶም ምሩኻትኩም ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኹም ምስ መለስክዎም፡ ኣብ ኵላቶም ህዝብታት ምድሪ ስሙያትን ክቡራትን ክገብረኩም እየ እሞ፡ በታ ግዜ እቲኣ ኸእትወኩም፡ በታ ግዜ እቲኣውን ክእክበኩም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር።