1 2 3 4
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ትን.ሚልክያስ ምዕራፍ 1
1ጾር ቃል እግዚኣብሄር ንእስራኤል ብኢድ ሚልክያስ።
2ኣነ ኣፍቀርኩኹም፡ ይብል እግዚኣብሄር። ንስኻትኩም ግና፡ ብምንታይ ኢኻ ዘፍቀርካና፧ ትብሉ ኣሎኹም። እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል፡ ኤሳውሲ ሓው ያእቆብዶ ኣይኰነን፧ ምስናይ እዚውን ንያእቆብ ኣፍቀርክዎ። 3ንኤሳው ግና ጸላእክዎ፡ ነኽራኑ ኣባደምክዎ፡ ርስቱውን ንወኻሩ ምድረበዳ ሃብክዎ። 4ኤዶም ድማ፡ ፈረሰና፡ ግናኽ ነቲ ዝፈረሰ ተመሊስና ኽንሰርሖ ኢና፡ እንተ በለ፡ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ይብል፡ ንሳቶምሲ ኽሰርሑ እዮም፡ ኣነ ግና ከፍርስ እየ፡ ዶብ ረሲእነትን እግዚኣብሄር ንሓዋሩ እተቘጥዖ ህዝብን፡ ኢሎም ክሰምይዎም እዮም። 5ኣዒንትኹም ድማ ክርእያ እየን እሞ፡ እግዚኣብሄር ክንየው ዶብ እስራኤል ይዕበ፡ ክትብሉ ኢኹም።
6ንኣኻትኩም ስመይ እትንዕቁ እሞ፡ ብምንታይ ንስምካ ነዓቕናዮ፡ እትብሉ ኻህናት፡ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ውሉድ ንወላዲኡ፡ ባርያ ኸኣ ንጐይታኡ የኽብር። እምብኣርሲ ኣቦ እንተ ደኣ ዀይነ፡ ክብረተይ ኣበይ ኣሎ፡ ጐይታ እንተ ዀይነስ፡ ምፍርሀይ ኣበይ ኣሎ፧ 7ኣብ መሰውእየይ ርኹስ እንጌራ ኣቕሪብኩምሲ፡ ብምንታይ ኣርከስናካ፧ ትብሉ። መኣዲ እግዚኣብሄር ሕሱር እዩ ብምባልኩም እዩ። 8ንመስወእቲ ከኣ ዕዉር እንተ ኣቕረብኩም፡ ክፉእዶ ኣይኰነን፧ ሓንካስ ወይስ ሕሙም እንተ ኣቕረብኩምሲ፡ ክፉእዶ ኣይኰነን፧ እስኪ እዚ ንምስለኔኻ ኣቕርበሉ፡ ይሕጐሰልካዶ እዩ፧ ወይስ ኣብኡዶ መጐስ ትረክብ ኢኻ፧ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት። 9እምብኣርሲ ሕጂ ኽምሕረና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ለምኑ። እዚ ኻብ ኢድኩም እዩ፡ እሞኸ ገለ ኻባኻትኩምዶ ሞገስ ክረክብ እዩ፧ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።
10ኣብ መሰውእየይ ብኸንቱ ሓዊ ኸይተንድዱስ፡ ደጌታታ ዝዓጹ ዀታ ኻባኻትኩም ሓደ እንተ ዝህሉ። ኣነ ኣይሕጐሰልኩምን፡ ካብ ኢድኩምውን ገለ መስዋእቲ ኣይቅበልን እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት። 11ስመይ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ዓብዪ ስለ ዝዀነ፡ ስመይ ካብ ምብራቕ ጸሓይ ክሳዕ ምዕራብ ኣብ ኣህዛብ ዓብዪ እዩ እሞ፡ ኣብ ኵሉ ቦታ ንስመይ ዕጣን ይዓጥኑ፡ ንጹህ መስዋእቲ ድማ የቕርቡ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት። 12ንስኻትኩም ግና፡ መኣዲ እግዚኣብሄር ረኺሱ፡ ረብሓኡ፡ እቲ ምግቡ ሕሱር እዩ፡ ብምባልኩም ተርክስዎ ኣሎኹም። 13ንስኻትኩምውን፡ ኣየ ኽንደይ ድኻም፡ ትብሉ፡ ኡፍ ድማ ትብሉሉ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት። እተዘምተን ሕንካስን ሕሙምን ተምጽኡ፡ ከምኡ ጌርኩም መስዋእቲ ተቕርቡ። እሞኸ ነዚዶ ኻብ ኢድኩም ክቕበሎ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር። 14ኣነ ዓብዪ ንጉስ እየ፡ ስመይ ድማ ኣብ ኣህዛብ እተፈርሀ እዩ እሞ፡ እቲ ኣብ መጓሲኡ ተባዕታይ ዘለዎ፡ ተመባጺዑ ኸኣ ንእግዚኣብሄር ጐደሎ ዝስውኣሉ ጠባርስ ርጉም ይኹን፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ትን.ሚልክያስ ምዕራፍ 2
1ኣቱም ካህናት ሕጂውን እዛ ትእዛዝ እዚኣ ንኣኻትኩም እያ። 2ምስማዕ እንተ ኣቤኹም፡ ብልብኹም ንስመይ ከተኽብሩ እንተ ዘይደሌኹም፡ መርገም ክሰደልኩም፡ ንበረኽትኹምውን ክረግሞ እየ። ብልብኹም ኣይደሌኹምን ኢኹም እሞ፡አረ ድሮ እኳ ረጊመዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት። 3እንሆ፡ ንዘርእኹም ክገንሖ እየ፡ ኣብ ገጽኩም ዒባ፡ ነቲ ዒባ በዓላትኩም፡ ክብትነልኩም እየ፡ ምስኡውን ከውጽኡኹም እዮም። 4ቃል ኪዳነይ ምስ ሌዊ ክኸውንሲ፡ እዚ ትእዛዝ እዚ ኣነ ኸም ዝሰደድኩልኩም ክትፈልጡ ኢኹም፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት። 5ቃል ኪዳነይ ምስኡ ህይወትን ሰላምን ነበረ፡ እዚ ኽፈርህ ኢለ ሃብክዎ፡ ንሱ ኸኣ ፈርሃኒ፡ ኣብ ቅድሚ ስመይውን ኣንቀጥቀጠ። 6-7ንሱ ልኡኽ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ስለ ዝዀነ፡ ከናፍር ካህን ፍልጠት ይሕልዋ፡ ንሕጊ ድማ ካብ ኣፉ ይደልዮ እዩ እሞ፡ ሕጊ ሓቂ ኣብ ኣፉ ነበረ፡ ኣብ ከናፍሩ ኸኣ በደል ኣይትረኽበን፡ ንሱ ድማ ብሰላምን ቅንዕናን ምሳይ ተመላለሰ ንብዙሓትውን ካብ ኣበሳ መለሰ። 8ንስኻትኩም ግና ካብ መገዲ ኣግለስኩም፡ ንብዙሓት ብሕጊ ኣዓንቀፍኩም፡ ነቲ ቓል ኪዳን ሌዊ ኣፍረስኩም፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት። 9ስለዚ ኣነውን፡ ከምቲ ንስኻትኩም መገደይ ዘይሓሎኹም፡ ብሕጊ ኸኣ ገጽ ሰብ ዘድሎኹም፡ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝቢ ንዑቓትን ሕሱራትን ገበርኩኹም።
10ንዅላትናዶ ሓደ ኣቦ ኣይኰነን ዘሎና፧ ሓደ ኣምላኽዶ ኣይኰነን ዝፈጠረና፧ ስለምንታይ ደኣ ኪዳን ኣቦታትና እናርከስና ንሓድሕድና ንጣላለም፧ 11ይሁዳ ነቲ ዘፍቅሮ ናይ እግዚኣብሄር ቅዱስ ነገር ኣርኪስዎ፡ ጓል ጓና ኣምላኽ ከኣ ተመርዕዩ እዩ እሞ፡ ይሁዳ ጠለመ፡ ኣብ እስራኤልን ኣብ የሩሳሌምን ድማ ጽያፍ ተገብረ። 12እግዚኣብሄር ነቲ ኸምዚ ዝገብር ሰብ፡ ነቲ ዝነቅሕን ምላሽ ዝህብን፡ ነቲ ንእግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት መስዋእቲ ዘቕርብን ካብ ድንኳናት ያእቆብ ከጥፍኦም እዩ። 13ካልእ ድማ እዚ ገበርኩም፡ ንመሰውኢ እግዚኣብሄር ብንብዓትን ብብኽያትን ብዋይዋይታን ከደንኩምዎ እሞ፡ ደጊም ንሱ ነቲ መስዋእቲ ኣይጥምቶን፡ ካብ ኢድኩምውን ባህ ኢልዎ ኣይቅበሎን። 14ስለምንታይ እዩ፡ ከኣ ትብሉ ኣሎኹም። እግዚኣብሄር ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ እታ ብጸይትኻን ብዓልቲ ቓል ኪዳንካን ክነሳ ዝጠለምካያ ሰበይቲ ንእስነትካን ምስክር ስለ ዝዀነ እዩ። 15ሓደዶ ኣይኰነን ነዚ ዝገበረ፧ ንሱውን ዕዙዝ መንፈስ ነበሮ። እቲ ሓደኸ ስለምታይ እዩ ነዚ ዝገበሮ፧ ዘርኢ ኣምላኽ ስለ ዝደለየ እዩ።እምብኣርሲ መንፈስኩም ሓልዉ፡ ነታ ሰበይቲ ንእስነቱ ኸኣ ሓደ እኳ ኣይጥለም። 16ምፍታሕን ንኽዳን ብዓመጽ ዝኸድኖን እጸልእ ኣሎኹ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል። ስለዚ ኸይትጠልሙ መንፈስኩም ሓልዉ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።
17ንእግዚኣብሄር ብቓላትኩም ኣድከምኩምዎ። ብምንታይ እሞ ኢና ዘድከምናዮ፡ ድማ ትብሉ። ንስኻትኩም፡ ክፉእ ዝገብር ዘበለ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ እግዚኣብሄር ሰናይ እዩ፡ ንሱ ብእኦም ባህ ይብሎ፡ ወይስ ኣምላኽ ፍርዲ ኣበይ ኣሎ፡ ብምባልኩም እዩ።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ትን.ሚልክያስ ምዕራፍ 3
1እንሆ፡ ኣነ ልኡኸይ እልእኽ ኣሎኹ፡ ንሱ ቐቅድመይ መገዲ ኽጸርግ እዩ። ብኡብኡ ኸኣ እቲ እትደልይዎ ጐይታ ናብ መቕደሱ ኽመጽእ እዩ፡ እቲ እትናፍቕዎ መልኣኽ ቃል ኪዳን እንሆ፡ ይመጽእ ኣሎ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት። 2ግናኸ ንሱ ከም ናይ ኰላዒ ሓውን ከም ናይ ሓጻቢ ሳሙናን እዩ እሞ፡ ነታ መዓልቲ ምምጻኡ መን ይጽመማ፧ ንሱ ኽግለጽ ከሎስ፡ መን ይቐውም፧ 3ንሱ ኸኣ ነቲ ብሩር ክዅልዕን ከጽርን ክቕመጥ እዩ። ንደቂ ሌዊ ኸጽርዮም፡ ከም ወርቅን ብሩርን ከኣ ክዅልዖም እዩ፡ ንሳቶምውን ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ብጽድቂ ኽስውእሉ እዮም። 4ሽዑ መስዋእቲ ይሁዳን የሩሳሌምን፡ ከምቲ በተን መዓልትታት ጥንትን በተን ናይ ቀደም ዓመታትን ዝዀነ፡ ንእግዚኣብሄር ባህ ከብሎ እዩ። 5ኣነ ንፍርዲ ክቐርበኩም እየ፡ ኣንጻር ኣስማተኛታትን ዘመውትን ኣንጻር እቶም ብሓሶት ዝምሕሉን ነቲ በዓል ዓስቢ ዓስቡ ዝዕምጽዎን ንመበለትን ዘኽታምን ዝገፍዕዎምን ንስደተኛ መሰሉ ዝጠውዩሉን ንኣይ ከኣ ዘይፈርሁን ቅልጡፍ ምስክር ክዀኖም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት። 6ኣነ እግዚኣብሄር ኣይልወጥን እየ እሞ፡ ኣቱም ደቂ ያእቆብ ስለዚ ኣይጠፋእኩምን።
7ካብ ዘመን ኣቦታትኩም ጀሚርኩም ካብ ስርዓተይ ኣግለስኩም ኣይሓለኹምዎን ከኣ። ናባይ ተመለሱ፡ ኣነውን ናባኻትኩም ክምለስ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት። ንስኻትኩም ግና፡ ብምንታይ እሞ ኢና ንምለስ፡ በልኩም። 8ሰብዶ ንኣምላኽ ክሰርቆ ይዀነሉ እዩ፡ ንስኻትኩም ግና ሰረቕኩምኒ። ብምንታይ እሞ ኢና ዝሰረቕናካ፧ ከኣ ትብሉ። ብዕሽርን ብመባእን ኢኹም። 9ንስኻትኩም፡ ህዝቢ ብምሉኣትኩም ሰሪቕኩምኒ ኢኹም እሞ፡ ብመርገም ተረገምኩም። 10ኣብ ቤተይ ምግቢ ክኸውንሲ፡ ዕሽር ዘበለ ዅሉ ናብ ቤት መዝገብ ኣምጽእዎ፡ ሽዑ መሳዅቲ ሰማይ እንተ ዘይከፊተልኩም፡ በረኸት ድማ ብዘይ ልክዕ እንተ ዘየፍሲሰልኩም፡ በዚ ተዓዘቡኒ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት። 11ስሌኹም ኢለ ነቲ ወሓጢ ኽገንሖ እየ፡ ንሱ ኸኣ ንፍረ ምድርኹም ኣይከጥፍኦን እዩ እቲ ተኽሊ ወይንኹም ኣብ ግራት ኣይክቘልዕን እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት። 12ምድሪ ሓጐስ ክትኰኑ ኢኹም እሞ፡ ኵሎም ኣህዛብ ብጹኣን ክብሉኹም እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።
13ቃላትኩም በርትዓኒ፡ ይብል እግዚኣብሄር። ንስኻትኩም ግና ኣንጻርካ እሞ እንታይ ተዛሪብና፧ ትብሉ ኣሎኹም። 14ንስኻትኩምውን፡ ንኣምላኽ ምግልጋል ከንቱ እዩ፡ ስርዓቱ ዝሓሎና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ድማ ከሊ ተኸዲንና እተመላለስናስ እንታይ ረባሕና፧ በልኩም። 15እምብኣርሲ ነቶም ዕቡያት ብጹኣን እዮም ንብሎም ኣሎና፡ እወ፡ እቶም ገበርቲ ረሲእነት ይህነጹ፡ እወ፡ ንኣምላኽ ፈተንዎ ኣምለጡ ኸኣ።
16ሽዑ እቶም ንእግዚኣብሄር ዝፈርሁ ንሓድሕዶም ተዛራረቡ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ጽን በለ ሰምዐውን። ነቶም ንእግዚኣብሄር ዝፍርሁን ንስሙ ኸኣ ዝሓስቡን ዝኸውን መጽሓፍ መዘከርታ ኣብ ቅድሚኡ ተጻሕፈ። 17በታ ኣነ ዝገብረላ መዓልቲ ንሳቶም ገንዘበይ ክዀኑኒ እዮም። ኣነ ኸኣ፡ ከምቲ ወላዲ ነቲ ዘገልግሎ ውሉዱ ዝንሕፎ፡ ክንሕፎም እየ። 18ንስኻትኩም ድማ ከም ብሓድሽ ነቲ ኣብ መንጎ ጻድቕን ረሲእን፡ ኣብ መንጎ እቲ ንኣምላኽ ዝግዝኦን ዘይግዝኦን ዘሎ ምፍልላይ ክትርእዩ ኢኹም።
ዝ/ምዕ ብ/ኪ ሓ/ኪ
ትን.ሚልክያስ ምዕራፍ 4
1እንሆ፡ እታ ኸም እቶን እትነድድ መዓልቲ ትመጽእ ኣላ እሞ፡ ኵሎም ዕቡያትን ረሲእነት ዝገብሩ ዘበሉ ዅላቶምን ብርዒ ክዀኑ እዮም፡ እታ እትመጽእ መዓልቲ ኸኣ ንእኦም፡ ሱር ወይስ ጨንፈር ከይሓደገት፡ ሞዅ ከተብሎም እያ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት። 2ንኣኻትኩም ስመይ እትፈርሁ ግና፡ ጸሓይ ጽድቂ ኽትበርቀልኩም እያ፡ ምድሓን ከኣ ኣብ ኣኽናፉ እዩ። ንስኻትኩም ድማ ክትወጹን ከም ብተይ ደምበ ኽትዕንድሩን ኢኹም። 3በታ ኣነ ዝገብረላ መዓልቲ ኣብ ትሕቲ ኸብዲ እግርኹም ሓመዅስቲ ክዀኑ እዮም እሞ፡ ንረሲኣን ክትረግጽዎም ኢኹም፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።
4ነቲ ኣብ ሆሬብ ንዅሎም እስራኤል ክኸውን ኢለ ንሙሴ ባርያይ ዝኣዘዝክዎ ሕጊ፡ ስርዓትን ፍርድን፡ ዘክርዎ። 5እንሆ፡ እታ ዓባይን እተፍርህን መዓልቲ እግዚኣብሄር ከይመጸት፡ ነብዪ ኤልያስ ክልእከልኩም እየ። 6ኣነ መጺአ ንምድሪ ብዘጽንት መርገም ከይወቕዓስ፡ ንሱ ልቢ ኣቦታት ናብ ደቂ፡ ልቢ ደቂ ድማ ናብ ኣቦታቶም ክመልስ እዩ።