1ጴጥሮስ ሃዋርያ የሱስ ክርስቶስ ነቶም ኣብ ጶንጦስን ኣብ ገላትያን ኣብ ቀጶዶቅያን ኣብ ኤስያን ኣብ ቢቲንያን ፋሕ ኢሎም ዘለዉ ሕሩያት፡ 2ከምቲ ናይ ቀደም ፍልጠት እግዚኣብሄር ኣቦና ብቕድስና መንፈስ ንምእዛዝን ብደም የሱስ ክርስቶስን ንምንጻግን ጸጋን ሰላምን ኣባኻትኩም ይብዛሕ።
3-4እቲ ንዘይሓልፍን ዘይረክስን ዘይጽምሉን ኣብ ሰማያት ተኣርኒብልኩም ዘሎ ርስቲ፡ ብናይ የሱስ ክርስቶስ ትንሳኤ ካብ ምውታት ብዝሒ ምሕረት ንህያው ተስፋ ብሓድሽ ዝወለደና ኣምላኽ፡ ኣቦ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ይባረኽ፡ 5ንስኻትኩም ብሓይሊ ኣምላኽ ብእምነት ነቲ ብዳሕራይ ዘመን ክገሃድ ዘለዎ እተዳለወ ምድሓን ተሓሊኹም ኣሎኹም። 6-7እቲ ምፍታን እምነትኩም ብምግሃድ የሱስ ክርስቶስ ንምስጋናን ስብሓትን ክብርን ብሓዊ ኻብ ዝዅላዕ ንሓላፊ ወርቂ ኣዝዩ ኸቢሩ ምእንቲ ክርከብ፡ እንተ ኣድለየስ፡ ሕጂ ብብዙሕ ዝዓይነቱ ፈተና ምስ ጕሄኹም፡ ብእኡ ክትሕጐሱ ኢኹም። 8-9ነዚ ከይርኤኩምዎ እተፍቅርዎ፡ ሕጂውን ከይርኤኹምዎ ብእኡ እትኣምኑ ዘሎኹም፡ ነቲ መደምደምታ እምነትኩም፡ ንሱ ድማ ምድሓን ነፍሳትኩም፡ ምስ ረኸብኩምዎ፡ ብዘይንገርን ክቡርን ሓጐስ ትሕጐሱ ኢኹም። 10እቶም ብዛዕባ እቲ ንኣኻትኩም እተመደበ ጸጋ እተነበዩ ነብያት ብዛዕባ እዚ ምድሓን እዚ ደለዩን መርመሩን፡ 11እቲ ኣባታቶም ዝነበረ መንፈስ ክርስቶስ ብስቓይ ክርስቶስ በቲ ድሕሪኡ ዘሎ ክብርን ቀዲሙ ከም ዝመስከረ፡ ነየናይ ወይስ ንኸመይ ዝበለ ዘመን ከም ዘመልከተ እናመርመሩ፡ 12ንኣኻትኩም እምበር፡ ንርእሶም ከም ዘየገልገሉ ተገልጸሎም። እዚውን በቶም፡ በቲ ኻብ ሰማይ እተላእከ መንፈስ ቅዱስ ገይሮም፡ ወንጌል ዝሰበኹልኩም ሕጂ ተነግርልኩም፡ መላእኽቲ ናብኡ ክጥምቱ ይብህጉ እዮም።
13ስለዚ ሓቛቝ ልብኹም ተዓጢቕኩም እናተጠንቀቕኩም፡ ነቲ ብምግሃድ የሱስ ክርስቶስ እትረኽብዎ ጸጋ ምሉእ ተስፋ ግበሩ። 14ከም እዙዛት ውሉድ እምበር ከምቲ ብዘመን ድንቍርና ከሎኹም ዝገበርኩምዎ ናይ ቀደም ትምኒት ኣይትግበሩ፡ 15-16ኣነ ቅዱስ እየ እሞ፡ ቅዱሳት ኩኑ፡ ዝብል ጽሑፍ ስለ ዘሎ፡ ከምቲ እቲ ዝጸውዓኩም ቅዱስ ዝዀነ፡ ንስኻትኩምውን ብዅሉ ንብረትኩም ቅዱሳት ኩኑ። 17ነቲ ንነፍሲ ወከፍ ብዘይ ኣድልዎ ከከም ግብሩ ዚፈርድ፡ ንስኻትኩም ኣቦ ኢልኩም እትጽውዕዎ ኻብ ኰንኩምሲ፡ ኣብዚ ዘመን ግሽነትኩም ብፍርሃት ንበሩ። 18-19ካብቲ ኻብ ኣቦታትኩም እተቐበልኩምዎ ከንቱ ንብረትኩም፡ ከም ብደም እቲ ኣበርን ርኽሰትን ዘይብሉ ገንሸል፡ ብኽቡር ደም ክርስቶስ እምበር፡ ብጠፋኢ ነገር፡ ብብሩር ወይስ ወርቂ፡ ከም ዘይደሓንኩም፡ ትፈልጡ ኢኹም። 20ንሱ ቕድሚ ምስራት ዓለም ተመደበ፡ ኣብ መወዳእታ ዘመን ግና ምእንታኹም ተጋህደ። 21ንስኻትኩም፡ እምነትኩምን ተስፋኹምን ናብ ኣምላኽ ምእንቲ ክኸውን፡ በቲ ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ ኽብሪውን ዝሃቦ ኣምላኽ ኣሚንኩም ኣሎኹም። 22-23ብህያው ንዘለኣለም ብዝነብር፡ ካብ ቃል ኣምላኽ ካብ ዘይጠፍእ ዘርኢ እምበር፡ ካብ ጠፋኢ ዘርኢ ኣይኰንኩምን ከም ብሓድሽ እተወለድኩም፡ ንሓቂ እናተኣዛዝኩምዋን፡ ግብዝና ንዘይብላ ፍቕሪ ኣሕዋት ንነፍስኹም ኣጽርዩ፡ ብንጹህ ልቢ ንሓድሕድኩም ብሓቂ ተፋቐሩ፡ 24ኵሉ ስጋ ኸም ሳዕሪ፡ ኵሉ ኽብሩውን ከም ዕምበባ ሳዕሪ እዩ። እቲ ሳዕሪ ይነቅጽ፡ እቲ ዕምባባውን ይረግፍ፡ 25ቃል እግዚኣብሄር ግና ንዘለኣለም ይነብር። እቲ እተነግረልኩም ቃል ብስራት እዚ እዩ።
1ይ ጴጥሮስ ምዕራፍ 2
1እምብኣርሲ ንዅሉ ክፍኣትን ኵሉ ጕርሕን ግብዝናን ቅንእን ኵሉ ሕሜትን ኣርሕቕዎ። 2-3እግዚኣብሄር ሕያዋይ ምዃኑ ጥዒምኩም እንተ ዄንኩምሲ፡ ብእኡ ንምድሓን ምእንቲ ክትዓብዩ፡ ከምቶም ሕጂ እተወልዱ ህጻናት ነቲ ሕዋስ ዘይብሉ መንፈሳዊ ጸባ ብሃግዎ። 4ናብቲ ብሰብ ንዑቕ፡ ብኣምላኽ ግና ሕሩይን ክቡርን ዝዀነ ህያው እምኒ እናቐረብኩም፡ 5ንስኻትኩምውን፡ ከም ህያዋን ኣእማን ኴንኩም፡ ነቲ ብየሱስ ክርስቶስ ኣብ ኣምላኽ ቅቡል ዝዀነ መንፈሳዊ መስዋእቲ ከተቕርቡ፡ ንቕዱስ ክህነት ዝኸውን፡ መንፈሳዊ፡ ቤት ተሃነጹ። 6ስለዚ ኸኣ፡ እንሆ፡ ኣብ ጽዮን ሕሩይን ክቡርን እምኒ መኣዝን አንብር ኣሎኹ፡ ብእኡ ዝኣምን ከኣ ኣይክሓፍርን እዩ፡ ዝብል ኣብቲ ጽሑፍ ኣሎ። 7ስለዚ ንኣኻትኩም እትኣምኑ፡ ክቡር እዩ፡ ነቶም ዘይኣምኑ ግና፡ ነደቕቲ ዝነዓቕዎ እምኒ፡ ንሱ ርእሲ መኣዝን ኰነ፡ 8እምኒ መዓንቀፍን ከውሒ ምንስታትን ድማ እዩ። ብዘይ ምእዛዞም በቲ ቓል ይዕንቀፉ፡ ነዚ ድማ ምዱባት እዮም። 9ንስኻትኩም ግና ደግነት እቲ ኻብ ጸልማት ናብቲ ዘገርም ብርሃን ዝጸውዓኩም ምእንቲ ክትነግሩ፡ ሕሩይ ወለዶ፡ ናይ መንግስቲ ክህነት፡ ቅዱስ ህዝቢ፡ ጥሪት ኣምላኽ ዝዀኑ ህዝቢ ኢኹም። 10ንስኻትኩም ቀደም ህዝቢ ዘይነበርኩም፡ ሕጂ ግና ህዝቢ ኣምላኽ ኢኹም፡ ዘይተመሓርኩም ዝነበርኩም፡ ሕጂ ግና ምሑራት ኢኹም።
11ኣቱም ፍቁራተይ፡ ከም ኣጋይሽን ከም ስደተኛታትን እመኽረኩም ኣሎኹ፡ ካብቲ ምስ ነፍሲ ዝዋጋእ ስጋዊ ትምኒት ርሓቑ። 12እቶም ከም ገበርቲ እከይ ገይሮም ዝሓምዩኹም ዘለዉ፡ ንሰናይ ግብርኹም ርእዮም በታ መዓልቲ ሓተታ ንኣምላኽ ምእንቲ ኸመስግንዎ፡ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ኣካይዳኹም ኣጸብቑ። 13-15ከምዚ ሰናይ እናገበርኩም፡ ዕሽነት እቶም ዘይፈልጡ ሰባት ክትዓብሱ፡ ፍቓድ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ነቲ ከም ኣብ ልዕሊ ኩሉ ዘሎ ንጉስ፡ ወይስ ነቶም፡ ንገበርቲ እከይ ክቐጽዑ፡ ንገበርቲ ሰናይ ክንእዱ፡ ካብኡ እተላእኩ መኳንንቲ፡ ስለ እግዚኣብሄር ኢልኩም ንስርዓት ሰብ ዘበለ ተገዝኡ። 16ከም ውጹኣት ሓራ፡ ከም ኣገልገልቲ ኣምላኽ እምበር፡ ከምቶም ነቲ ሓርነትሲ መጐልበቢ ኽፍኣት ዝገብርዎ ኣይትኩኑ። 17ንዅሉ ሰብ ኣኽብሩ፡ ሕውነት ኣፍቅሩ፡ ንኣምላኽ ፍርህዎ፡ ንንጉስ ኣኽብርዎ።
18ኣቱም ግዙኣት፡ ነቶም ዓመጽቲ ኸኣ እምበር፡ ነቶም ህያዎትን ልኡማትን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብፍርሃት ዘበለ ንጐይተትኩም ተኣዘዝዎም። 19ሓደ እኳ ስለ ሕሊና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተዓሚጹ ጓሂ እንተ ተዓገሰ፡ እዚ ጸጋ እዩ። 20ሓጢኣት እናገበርኩም መውቃዕቲ እንተ ተዓገስኩም፡ እንታይ ትምክሕቲ ኣለዎ፡ ሰናይ እናገበርኩም መከራ እንተ ተዓገስኩም ግና፡ እዚ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅቡል እዩ። 21ነዚ ኢኹም እተጸዋዕኩም እሞ፡ ክርስቶስ ከኣ፡ ምእንቲ ኣስኣሰሩ ክትስዕቡ፡ ኣርኣያ ሓዲጉልኩም ምእንታኹም መከራ ጸገበ። 22ንሱ ሓጢኣት ዘይገበረ፡ ተንኰልውን ኣብ ኣፉ ዘይተረኽበ፡ 23ምስ ጸረፍዎ መሊሱ ዘይጸረፈ፡ መከራ ምስ ኣጽገብዎ ኸኣ፡ ነቲ ብቕንዕና ዝፈርድ ደኣ ነገሩ ኣሕሊፉ ሃበ እምበር፡ ዘየፈራርሄ። 24ንሓጢኣት መዊትናስ ንጽድቂ ምእንቲ ክንነብር፡ ንሱ ባዕሉ ንሓጢኣትና ኣብ ስጋኡ ኣብ ዕንጨይቲ ጾሮ፡ ብቝስሉ ኢኹም ዝሓዌኹም። 25ከም እተባረራ ኣባጊዕ ኔርኩም ኢኹም እሞ፡ ሕጂ ግና ናብቲ ጓሳኹምን ሓላው ነፍሳትኩምን ተመሊስኩም ኣሎኹም።
1ይ ጴጥሮስ ምዕራፍ 3
1-2ኣትን ኣንስቲ፡ ገለ ነቲ ቓል ዘይእዘዙ እንተ ኣለዉ፡ ነቲ ፍርሃት ዘለዎ ንጹህ ኣካይዳኽን ምስ ረኣዩ፡ በካይዳ ኣንስቶም ብዘይ ቃል ከም ረብሓ ኮይኖም ምእንቲ ክርከቡስ፡ ከምኡ ንሰብኡትክን ተኣዘዛኦም። 3-4ስልማትክን እቲ ብሕቡእ ናይ ልቢ ሰብን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክቡር ዝዀነ ለዋህን ህዱእን መንፈስ ይኹን እምበር፡ እቲ ናይ ስሩሕ ርእስን፡ ናይ ስልማት ወርቂ ምእሳርን፡ ናይ ዘጌጸ ክዳውንቲ ምኽዳንን ኣፍኣዊ ነገር ኣይኹን። 5ቀደም ድማ እተን ተስፋአን ናብ ኣምላኽ ዝገበራ ቅዱሳት ኣንስቲ፡ ንሰብኡተን እናተኣዘዛ፡ ከምዚ እየን እተሰለማ። 6ከምቲ ሳራ ንኣብርሃም ጐይታይ እናበለት እተኣዘዘቶ፡ ንስኻትክን ከኣ ሰናይ እንተ ገበርክን፡ ብሓደ ዘሰምብድ ነገርውን እንተ ዘይፈራህክንሲ፡ ኣዋልዳ ኢኽን።
7ኣቱም ሰብኡት፡ ጸሎትኩም ምእንቲ ከይዕገት፡ ከም ምስ ድኽምቲ ፍጥረት፡ ከም መዋርስትኹም ንጸጋ ህይወት ጌርኩም እናኽበርኩምወን፡ ከምኡ ምስ ኣንስትኹም ብእምሮ ንበሩ። 8መወዳእታኡ ኸኣ፡ ኵላትኩም ሓደ ዝሓሳቦም፡ እትዳናገጹ፡ ሕውነት እተፍቅሩ፡ ለዋሃት፡ ትሑታት ኩኑ፡ 9ምርቓ ምእንቲ ክትወርሱ፡ ነዚ ጽዉዓት ኢኹም እሞ፡ መርቑ ደኣ እምበር፡ እኩይ ኣብ ክንዲ እኩይ ወይስ ጸርፊ ኣብ ክንዲ ጸርፊ ኣይትምለሱ። 10-12ኣዒንቲ እግዚኣብሄርሲ ናብ ጻድቃን እየን ዝርእያ፡ ኣእዛኑውን ናብ ጸሎቶም እየን፡ ገጽ እግዚኣብሄር ግና ነቶም ገበርቲ እከይ ይጻረሮም እዩ እሞ፡ እቲ ህይወት ክፈቱ ጽቡቓት መዓልትታት ከኣ ክርኢ ዝደሊ፡ ልሳኑ ኻብ ክፉእ፡ ከናፍሩውን ተንኰል ከይዛረባ ይኸልክል። ካብ እከይ ይዝበል ሰናይ ከኣ ይግበር፡ ንሰላም ይድለያ ይስዓባውን።
13ስለ እቲ ሰናይ እንተ ጸዓትኩምከ፡ መን እዩ እከይ ዝገብረኩም፧ 14ስለ ጽድቂ እኳ ድማ ሓሳረ መከራ እንተ ጸገብኩም፡ ብጹኣን ኢኹም። ካብ ፍርሃቶም ኣይትፍርሁ ኣይትሰምብዱውን። 15ንጐይታና ክርስቶስ ብልብኹም ቀድስዎ እምበር፡ ብዛዕባ እታ ኣባኻትኩም ዘላ ተስፋ ምኽንያታ ንዝሓተኩም ዘበለስ ምላሽ ንምሃብ ኵሉ ሳዕ እተዳሎኹም ኩኑ፡ ግናኸ ብዓቕልን ብፍርሃትን ደኣ ይኹን። 16-17ፍቓድ ኣምላኽ ከምዚ እንተ ደለዮስ፡ ካብ እከይ እናገበርኩምሲ፡ ሰናይ እናገበርኩም ሓሳረ መከራ ኽትጸግቡ ይሕሸኩም እዩ እሞ፡ እቶም ነቲ ብክርስቶስ ዝኸውን ሰናይ ኣካይዳኹም ዝጸርፉ በቲ ዝሓምዩኹም ምእንቲ ክሓፍሩ፡ ሰናይ ሕሊና ይሃሉኹም።
18ክርስቶስ ድማ፡ ናብ ኣምላኽ ምእንቲ ከቕርበና ኢሉ፡ ንሱ እቲ ጻድቕ ስለቶም ዓመጽቲ ሓንሳእ ስለ ሓጢኣት ሞተ፡ ብስጋ ሞተ፡ ብመንፈስ ግና ህያው ኰነ። 19ብእኡ ኸይዱ ድማ ነቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝነበሩ መናፍስቲ ሰበኸሎም፡ 20ትዕግስቲ ኣምላኽ ብመዓልትታት ኖህ ምስ ተጸበየት፡ እታ መርከብ ክትስራሕ ከላ፡ ብእኣ ሒደት፡ ማለት ሾሞንተ ነፍሲ፡ ብማይ ዝደሓናላ፡ ነቶም ቀደም ዘይኣመኑ ሰበኸሎም። 21እቲ ማይ ድማ ሕጂ ብተምሳሉ፡ ማለት ጥምቀት፡ የድሕነኩም ኣሎ፡ እዚ ኸኣ ብትንሳኤ የሱስ ክርስቶስ ልማኖ ሰናይ ሕሊና ናብ ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ምሕጻብ ርስሓት ስጋ ኣይኰነን። 22ንሱ ናብ ሰማይ ዓሪጉ ኣብ የማን ኣምላኽ ኣሎ፡ ንእኡ መላእኽቲ ስልጣናትን ሓይልታትን ይግዝእዎ ኣለዉ።
1ይ ጴጥሮስ ምዕራፍ 4
1-2ደጊም ክርስቶስ ምእንታና ሓሳረ መከራ ካብ ጸገበስ፡ ብስጋኡ መከራ ዝጸግብ፡ ንሱ ንሓጢኣት ሓዲግዎ እዩ እሞ፡ እቲ ብስጋ ዝተረፈ ዘመን ንፍቓድ ኣምላኽ እምበር፡ ንፍትወት ሰብ ምእንቲ ከይትነብሩ፡ ንስኻትኩምውን ነዚ ሓሳብ እዚ ከም ኣጽዋር ጌርኩም ሓዝዎ። 3እቲ ብዕብዳን፡ ብፍትወት ስጋ፡ ብስኽራን፡ ብጓይላ፡ ብመስተ፡ ብርኹስ ምምላኽ ጣኦት ክትነብሩ ኸሎኹም፡ ፍቓድ ኣህዛብ ዝገበርኩምሉ ዝሓለፈ ዘመን ይኣክል እዩ። 4ናብቲ ዕያግ ርኽሰት ምሳታቶም ስለ ዘይጐየኹም፡ እናተጻረፉ ብእኡ ይግረሙ ኣለዉ። 5ንሳቶም ነቲ ንህያዋንን ንምዉታትን ክፈርድ ተዳልዩ ዘሎ፡ ጸብጻብ ክህብዎ እዮም። 6ከምቲ ናይ ሰብ ብስጋ ኮይኖም ክፍረዱ፡ ከምቲ ናይ ኣምላኽ ግና ብመንፈስ ኮይኖም ብህይወት ምእንቲ ክነብሩ ኢሉ እዩ ንምዉታት ድማ ብስራት እተነግረ።
7ግናኸ መወዳእታ ኩሉ ነገር ቀሪቡ። ስለዚ ርእስኹም ግትኡ ንጸሎትውን ንቕሑ። 8ፍቕሪ ብዝሒ ሓጢኣት ትኸድን እያ እሞ፡ ቅድሚ ኩሉ ኣብ ንሓድሕድኩም ሃልሃል እትብል ፍቕሪ ትሃልኹም። 9ብዘይ ምዕዝምዛም ንሓድሕድኩም ግሽነት ተቓባበሉ። 10ነፍሲ ወከፍ ከምቲ እተቐበሎ ውህበት ጸጋ፡ ከም ሕያዎት መገብቲ ናይቲ ብዙሕ ዝዓይነቱ ጸጋ ኣምላኽ ንሓድሕድኩም ኣገልግሉ። 11ዝነግር እንተ ዀነ፡ ከም ቃል ኣምላኽ ገይሩ ይንገር፡ ዘገልግል እንተ ዀነውን፡ ከምቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ሓይሊ ገይሩ የገልግል። ኣምላኽ ብየሱስ ክርስቶስ ብዅሉ ምእንቲ ክኸብር፡ ንእኡ ክብርን ስልጣንን ንዘለኣለመ ኣለም ይዀኖ። ኣሜን።
12ኣቱም ፍቁራተይ፡ በቲ ንምፍታን ዝረኽበኩም ዘሎ ዋዒ ሓዊ፡ ሓደ ሓድሽ ነገር ከም ዝበጽሓኩም ኴንኩም፡ ኣይትገረሙ። 13ብምግላጽ ግርማኡ ድማ ክትሕጐሱን ባህ ክትብሉን ኢኹም እሞ፡ ኣብቲ ስቓይ ክርስቶስ ሕቡራት ካብ እትዀኑስ፡ ተሓጐሱ ደኣ። 14ምእንቲ ስም ክርስቶስ እንተ ተጸረፍኩም፡ እቲ ናይ ክብርን ናይ ኣምላኽን መንፈስ ኣባኻትኩም ይሓድር እዩ እሞ፡ ብጹኣን ኢኹም። 15ሓደ ኻባኻትኩም ከም ቀታሊ፡ ወይስ ከም ሰራቒ፡ ወይስ ከም ገባር እከይ፡ ወይስ ኣብ ነገር ካልኦት ከም ዝጽምበር ኰይኑ መከራ ኣይጽገብ። 16ከም ክርስትያን መከራ እንተ ጸገበ ግና፡ ስለ እዚ ስም እዚ ንኣምላኽ የመስግኖ እምበር፡ ኣይሕፈር።
17እቲ ፍርዲ ኣብ ቤት ኣምላኽ፡ ዝጅምረሉ ግዜ መጺኡ እዩ እሞ፡ ቅድም ኣባና ካብ ዝጅምርሲ፡ እቶም ንወንጌል ኣምላኽ ዘይእዘዙ ደኣ መወዳእታኦም እንታይ ክኸውን እዩ፧ 18እቲ ጻድቕ ብሓይለ ገደል ዝድሕን ካብ ዝኸውን፡ እቲ ዓማጽን ሓጥእን ደኣ ኣበይ ክርአ እዩ፧ 19ስለዚውን እቶም ከም ፍቓድ ኣምላኽ ኰይኖም ሓሳረ መከራ ዝጸግቡ ዘለዉ፡ ሰናይ እናገበሩ ንነፍሶም ኣብቲ እሙን ፈጣሪ ደኣ የማሕጽንዋ።
1ይ ጴጥሮስ ምዕራፍ 5
1እምብኣርሲ ነቶም ኣብ ማእከልኩም ዘለዉ ሽማግሌታት፡ ኣነ መሸማግልቶም፡ ብስቓይ ክርስቶስ ድማ መስካሪ፡ ኣብቲ ደሓር ክግለጽ ዘለዎ ክብሪውን ተማቓሊ እየ እሞ፡ እምዕዶም ኣሎኹ፡ 2ነቲ ምሳኻትኩም ዘሎ መጓሰ ኣምላኽ ጓስይዎ፡ ብፍታው ከም ፍቓድ ኣምላኽ እምበር፡ ብግዲ ኣይኹን፡ ብታሕጓስ እምበር፡ ምእንቲ ከንቱ ረብሓውን ኣይኹን፡ 3ነቲ መጓሰ ኣርኣያ እናዀንኩምዎ እምበር፡ ኣብተን ማሕበራት ከም ጐይቶት ኣይትኹኑ። 4እቲ ሓለቓ ጓሶት ምስ ተገልጸ ድማ፡ ዘይጽምሉ ኣኽሊል ክብሪ ክትቅበሉ ኢኹም።
5ኣቱም መንእሰይ፡ ከምኡ ነቶም ዝዓብዩኹም ተገዝእዎም። ኣምላኽ ንዕቡያት ይመዓቶም፡ ንትሑታት ግና ጸጋ ይህቦም እዩ እሞ፡ ኵላትኩም ንሓድሕድኩም ምእንቲ ክትግዝኡ፡ ትሕትና ተዓጠቑ። 6ደጊም ብግዜኡ ንሱ ልዕል ምእንቲ ከብለኩም፡ ኣብ ትሕቲ እታ ጽንዕቲ ኢድ ኣምላኽ ትሕት በሉ። 7ንሱ ይሓልየልኩም እዩ እሞ፡ ንዅሉ ሓልዮትኩም ኣብኡ ኣውድቕዎ።
8ድያብሎስ፡ እቲ መጻርርትኹም፡ ዝውሕጦ ደልዩ ኸም ዝጓዝም ኣንበሳ ኮይኑ ይዘውር ኣሎ እሞ፡ ተጠንቀቑ፡ ንቕሑ። 9እዚ ሓሳረ መከራ እዚ ነቶም ኣብ ዓለም ዘለዉ ኣሕዋትኩም ይበጽሖም ከም ዘሎ እናፈለጥኩም፡ ብእምነት ጸኒዕኩም ተቓወምዎ።
10እቲ ብክርስቶስ የሱስ ናብ ናይ ዘለኣለም ክብሩ ዝጸወዓኩም ኣምላኽ ኵሉ ጸጋ፡ ቅሩብ ግዜ ሓሳረ መከራ ምስ ጸገብኩም፡ ንሱ ኽፍጽመኩም፡ ከበርትዓኩም፡ ክስርተኩምውን እዩ። 11ንዘለኣለም ኣለም ንእኡ ክብርን ስልጣንን ይኹን። ኣሜን።
12ብስልዋኖስ፡ ንኣይ ከም ዝመስለኒ እሙን ሓዉና ገይረ፡ እናመኸርኩኹም፡ እዚ ደው ኢልኩምሉ ዘሎኹም ናይ ሓቂ ጸጋ ኣምላኽ ምዃኑ እናመስከርኩ፡ ቅሩብ ጽሒፈልኩም ኣሎኹ። 13እታ መተሓርይትኹም ኣብ ባቢሎን ዘላ ማሕበርን ማርቆስ ወደይን ሰላም ይብሉኹም አለዉ። 14ብናይ ፍቕሪ ምስዕዓም ንሓድሕድኩም ሰላም ተባሃሃሉ።
ብክርስቶስ የሱስ ዘሎኹም ኵላትኩም ሰላም ይሃልኹም። ኣሜን።