ትንቢት ኢሳይያስ
1 2 3 4 5 6 7 8 9
10 11 12 13 14 15
16 17 18 19 20 21
22 23 24 25 26 27
28 29 30 31 32 33
34 35 36 37 38 39
40 41 42 43 44 45
46 47 48 49 50 51
52 53 54 55 56 57
58 59 60 61 62
63 64 65 66
ትን. ኢሳይያስ ምዕራፍ 1
1ኢሳይያስ ወዲ ኣሞጽ ብዘመን ኡዝያን ዮታምን ኣሃዝን ህዝቅያስን፡ ነገስታት ይሁዳ፡ ብናይ ይሁዳን የሩሳሌምን ዝረኣዮ ራእይ።
2እግዚኣብሄር ይዛረብ ኣሎ እሞ፡ ኣቱም ሰማያት፡ ስምዑ፡ ኣቲ ምድሪ፡ ጽን በሊ፡ ንውሉድ ኣዕቤኽዎምን ኣልዓልክዎምን፡ ንሳቶም ድማ ካባይ ዓለው። 3ብዕራይ ንዋናኡ፡ ኣድጊ ድማ ንመብልዕ ማል ጐይታኡ ይፈልጦ፡ እስራኤል ግና ሓንቲ እኳ ኣይፈልጥን፡ ህዝበይውን ኣየስተውዕልን እዩ።
4ሓጥእ ዓሌት፡ በደል እተጻዕነ ህዝቢ፡ ዘርኢ ገበርቲ እከይ፡ ጥፉኣት ውሉድ ወይለኦም። ንእግዚኣብሄር ሓዲጎም፡ ነቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ንዒቖም፡ ንድሕሪት ኣቢሎም ተመልሱ። 5ምዕላው እናወሰኽኩም ካብ እትኸዱስ፡ ንምንታይ ደኣ እትውቅዑ፡ ኲሉ እቲ ርእሲ ሕሙም፡ ኲሉ እቲ ልቢ ሕሉል እዩ። 6ካብ ከብዲ እግሪ ኽሳዕ ርእሲ ገለ ጥዑይ የብሉን። ዘይተጠወቐን ዘይተዘነነን ብቕብኢ ዘይለስለሰን፡ ኣቑሳልን ስምብራትን ሓድሽ መውቃዕትን ጥራይ እዩ። 7ሃገርኩም ባዲማ፡ ከተማታትኩም ብሓዊ ነዲደን፡ ንግርሁኹም ጓኖት ኣብ ቅድሜኹም ይውሕጥዎ፡ ጓኖት ከም ዘፍረስዋ ኸኣ ባደመት። 8ጓል ጽዮን ድማ ከም ዳስ ኣብ ኣታኽልቲ ወይኒ፡ ከም ጎጆ ኣብ ግራት ብርጭቕ፡ ከም እተኸበት ከተማ ዀይና ተሪፋ ኣላ። 9እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ገለ ሒደት ትርፊ እንተ ዘይሓድገልናስ፡ ከም ሶዶም ምዀንና፡ ንጎሞራ ምመሰልና ኔርና።
10ኣቱም ሓላቑ ሶዶም፡ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ፡ ኣታ ህዝቢ ጎሞራ፡ ንሕጊ ኣምላኽና ጽን በሎ። 11ብዝሒ መስዋእትታትኩም እንታይ ኢለዮ ይብል እግዚኣብሄር፡ ብዝሓርር መስዋእቲ ደዓውልን ብስብሒ ስቡሓትን ጸጊበ ኣሎኹ፡ ደም ዝራብዓትን ገናሽልን ድቤላታትን ባህ ኣየብለንን እዩ። 12ኣብ ቅድመይ ክትረኣዩ ምስ እትመጹ፡ መን ኰታ ኣጸደይ ክትረግጹ ደለየኩም 13ከንቱ መስዋእቲ ብልዒ ኣይተምጽኡ፡ ዕጣን ንኣይ ፍንፋን እዩ፡ ስርቂ ወርሕን ሰንበትን፡ ኣኼባ ማሕበር፡ ንኣበሳ ምስ ኣኼባ በዓል ኣይዕገሶን እየ። 14ንስርቂ ኣዋርሕኩምን በዓላትኩምን ነፍሰይ ትጸልኦ ኣላ፡ ጾር ኰይኑኒ፡ ምስካሙ ስኢነ ኣሎኹ። 15ኣእዳውኩም ምስ እትዝርግሑ፡ ኣዒንተይ ካባኻትኩም እኽውለን፡ ምህለላ እኳ እንተ ኣብዛሕኩም፡ ኣይሰምዕን እየ፡ ኣእዳውኩም ደም መሊእን እየን። 16ተሓጸቡ፡ ንጽሁ ነቲ እከይ ግብርኹም ካብ ቅድሚ ኣዒንተይ ኣርሕቕዎ፡ ምግባር እከይ ሕደጉ። 17ምግባር ሰናይ ተመሃሩ፡ ቅንዕና ድለዩ፡ ንጥቑዕ ርድእዎ፡ ንዘኽታም ፍትሒ ኣውጽኡሉ፡ ንመበለት ተጣበቑላ።
18ሽዑ ምጹ እሞ ንሓድሕድና ንማጐት፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ሓጢኣትኩም ከም ጁዂ እኳ እንተ ቑሔ፡ ከም በረድ ክጽዕዱ ከም ዝዋውዕ እኳ እንተ ቑሔ ከም ጻዕዳ ጸምሪ ክኸውን እዩ። 19ሕራይ እንተ በልኩምን እንተ ተኣዘዝኩምንሲ፡ ጣዕሚ እታ ምድሪ ኽትበልዑ ኢኹም። 20ግናኸ እንተ ኣቤኹምን እንተ ዓሎኹምን፡ ኣፍ እግዚኣብሄር ተዛሪባ እያ እሞ፡ ብሰይፊ ኽትወሓጡ ኢኹም።
21እታ እምንቲ ኸተማ ኸመይ ኢላ ኣመንዝራ ዀነት። ቅንዕና ዝመልኣ፡ ጽድቂ ዝሓደራ ነበረት፡ ሕጂ ግና ማሕደር ቀተልቲ ነፍሲ ዀነት። 22ብሩርኪ ርስሓት ኰይኑ፡ ወይንኺ ማይ ተዘሊሉ። 23መሳፍንትኺ ሽፍታታትን ኣዕሩዂ ጐሓሉትን እዮም። ኲሎም ምቕባል ደርሆ ይፈትው፡ ደድሕሪ ኻሕሳ ይጐይዩ። ንዘኽታም ፍትሒ ኣየውጽኡሉን፡ ነገር መበለት ከኣ ኣባታቶም ኣይበጽሕን እዩ።
24ስለዚ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ እቲ ናይ እስራኤል ስልጡን፡ ከምዚ ይብል፡ ኲራይ ኣብ ተጻረርተይ ከዝሕል፡ ንጸላእተይ ከኣ ሕነ ኽፈድዮም እየ። 25ንኢደይ ድማ ኣባኺ ኽመልሳ፡ ንሓርኢ ሓጺንኪ ኸኣ ኣጸቢቐ ኸጸጺ፡ ንዂሉ ቖርቆሮኺውን ክድርብዮ እየ። 26ንፈራዶኺ ኸምቶም ቀደም ዝነበሩ፡ ንመኸርትኺ ድማ ከምቶም ብመጀመርታ ዝነበሩ ኽመልሶም እየ። ደሓር ከተማ ጽድቂ፡ እምንቲ ኸተማ ኽትስመዪ ኢኺ። 27ጽዮን ብፍርዲ፡ እቶም ምሉሳታ ኸኣ ብጽድቂ ኽድሕኑ እዮም። 28ግናኸ ከሓዶን ሓጥኣንን ብሓደ ኽስበሩ፡ ንእግዚኣብሄር ዝሓደጉውን ጥራስ ክጠፍኡ እዮም። 29በቲ ዝፈቶኹምዎ ኣእዋም ክትሓንኩ፡ በቲ ዝመረጽኩምዎ ኣታኽልቲ ኽትሓፍሩ ኢኹም። 30ቈጽሉ ኸም ዝጸምለወ ኦምን፡ ማይ ከምዘይብሉ ኣታኽልትን ክትኰኑ ኢኹም እሞ፡ 31እቲ ሓያል ከም እተባዘተ ቓንጭ እንጣጢዕ፡ ዕዮኡ ድማ ከም ቁልዒ ክኸውን እዩ፡ ክልቲኣቶም ብሓደ ኽነዱ እዮም፡ ዘጥፍእ ከኣ ሓደ እኳ የልቦን።
ትን. ኢሳይያስ ምዕራፍ 2
1ኢሳይያስ ወዲ ኣሞጽ ብናይ ይሁዳን የሩሳሌምን ዝረኣዮ ቓል እዚ እዩ፡
2ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ክኸውን እዩ፡ ናይ ቤት እግዚኣብሄር ከረን ኣብ ርእሲ ኣኽራን ክቐውም፡ ኣብ ልዕሊ ዂድዂዶታት ድማ ልዕል ክብል፡ ኲሎም ኣህዛብውን ናብኡ ኽውሕዙ እዮም። 3ሕጊ ኻብ ጽዮን፡ ቃል እግዚኣብሄር ከኣ ካብ የሩሳሌም ክወጽእ እዩ እሞ፡ ብዙሓት ህዝብታት ክኸዱ፡ ንዑናይ ናብ ከረን እግዚኣብሄር፡ ናብ ቤት ኣምላኽ ያእቆብ ንደይብ፡ ንሱ ጐደናታቱ ኽምህረና፡ ብመገድታቱ ክንመላለስ ኢና፡ ድማ ክብሉ እዮም። 4ኣብ መንጎ ኣህዛብ ክፈርድ፡ ንብዙሓት ህዝብታትውን ክዳንዮም እዩ፡ ንሳቶም ከኣ ኣስያፎም ንማሕረሻታት፡ ኲናውቶምውን ንገዘሞታት ክሰርሕዎ እዮም። ህዝቢ ኣብ ህዝቢ ሰይፊ ኣይከልዕልን እዩ፡ ደጊምሲ ውግእ ኣይክመሃሩን እዮም።
5ኣቱም ቤት ያእቆብ፡ ንዑ ዀታ ብብርሃን እግዚኣብሄር ንመላለስ። 6ንቤት ያእቆብ፡ ህዝብኻ፡ ብኣመል ሰብ ምብራቕ ስለ ዝመልኡ፡ ከም ፍልስጥኤማውያን ከኣ ስለ ዝጠንቈሉ፡ ምስ ደቂ ጓናውን ኣገና ስለ ዝጠቕዑ፡ ሓደግካዮም። 7ሃገሮምሲ ብሩርን ወርቅን ምሉእ እዩ፡ ዕቋሮም ድማ ታእላው የብሉን። ሃገሮም ከኣ ኣፍራስ ሞሉእ እዩ፡ ዓረብያታቶምውን ታእላው የብሉን። 8ሃገሮም ድማ ጣኦታት ምሉእ እዩ፡ንግብሪ ኣእዳዎም፡ ነቲ ኣጻብዖም ዝገበራኦ ይሰግድሉ። 9እቲ ጥቑዕ ሰብ ከኣ ለጥቕ ይብል፡ እቲ ምርኡይ ሰብ ድማ ይዋረድ ኣሎ፡ ስለዚ ይቕረ ኣይትብለሎምን ኢኻ። 10ኣብ በዓቲ እቶ፡ ካብ ረዓድ እግዚኣብሄር ካብ ቅድሚ ኽብሪ ግብማኡን ኣግሊስካ ኣብ ሓመድ ተሓባእ። 11እተን ዕቡያት ኣዒንቲ ሰብ ለጠቕ ክብላ እየን። ትዕቢት ሰባት ከኣ ክዋረድ እዩ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ እግዚኣብሄር በይኑ ልዕል ክብል እዩ።
12እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ንዂሉ ዕቡይን ኲሩዕን ልዕል ንዝበለ ዂሉን ከዋርዶ፡ መዓልቲ ቘሪጹ ኣሎ እሞ፡ 13ኣብ ኲሉ ዓብይን ልዕል ዝበለ ኣእዋም ሊባኖስን ኣብ ኲሉ ኣእዋም ባሳንን፡ 14ኣብ ኲሉ ነዊሕ ኣኽራንን ኣብ ኲሉ ልዕል ዝበለ ዀረቢትን፡ 15ኣብ ብዘሎ ነዊሕ ግምብን ኣብ ብዘሎ ጽኑዕ ቀጽርን፡ 16ኣብ ኲለን መራኽብ ተርሲስን ኣብቲ ንምርኣይ ዘተምኒ ዘበለን መዓልቲ ቘሪጹ ኣሎ እሞ፡ 17ትዕቢት ሰብ ክዋረድ፡ ኲርዓት ሰባት ድማ ክሓስር እዩ፡ በታ መዓልቲ እቲኣስ እግዚኣብሄር በይኑ ልዕል ክብል እዩ።
18ጣኦታትውን ብጥራስ ክጠፍኡ እዮም። 19ንምድሪ ኸሸብራ ምስ ዝትንስእ፡ ካብ ረዓድ እግዚኣብሄርን ካብ ቅድሚ ኽብሪ ግርማኡን ኣግሊሶም፡ ናብ በዓትታት ኣኻውሕን ናብ ጐዳጒድ ምድርን ክኣትው እዮም። 20በታ መዓልቲ እቲኣ ነቶም ክሰግዱሎም ዝገበርዎም ጣኦታት ብሩሮምን ጣኦታት ወርቆምንሲ ንፍሒራታትን ነዕዋፍ ለይትን ክድርብይዎም እዮም። 21ንምድሪ ኸሸብራ ምስ ዝትንስእ፡ ካብ ረዓድ እግዚኣብሄር ካብ ቅድሚ ኽብሪ ግርማኡን ኣግሊሶም ናብ በዓትታት ኣኻውሕን ናብ ምንቃዕ ኣኻውሕን ክኣትው እዮም። 22በቲ ትንፋስ ኣብ ኣፍንጫኡ ዘለዎ ሰብ ኣይትወከሉ፡ ብምንታይከ እዩ እተቋጽርዎ፧
ትን. ኢሳይያስ ምዕራፍ 3
1እንሆ፡ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ካብ የሩሳሌምን ካብ ይሁዳን ደገፋን ምርኩስ፡ ኲሉ ደገፉ እንጌራን ኲሉ ደገፉ ማይን ከርሕቕ እዩ። 2ነቲ ጅግናን ተዋጋእን ነቲ ፈራድን ንነብይን ነቲ ፈላጥን ንኣረጊትን፡ 3ነቲ ሓለቓ ሓምሳን ንምርኡይ ሰብን ነቲ መኻርን ንንፋዕ ብዓል ኢደ ጥበብን ንብልሓተኛ ዓዛምን ከርሕቖም እዩ። 4ቈልዑ መሳፍንቶም ክዀኑ ኽህቦም እየ፡ ሕጻናት ከኣ ክመልክዎም እዮም። 5እቲ ህዝቢ ድማ እቲ ሓደ ነቲ ሓደ፡ ነፍሲ ወከፍ ንብጻዩ ኽገፍዖ እዩ፡ ቈልዓ ንኣረጊት፡ እቲ ሕማቕ ድማ ነቲ ኽቡር ክደፍሮ እዩ። 6ሓደ ንሓው ኣብ ቤት ኣቦኡ ሒዙ፡ ክዳን ኣሎካ እሞ፡ ገዛኢ ኹነና፡ ነዚ ምዕናው እዚ ኣብ ትሕቲ ኢድካ ግበሮ፡ ምስ ዝብሎ፡ 7እቲውን በታ መዓልቲ እቲኣ ኢዱ ኣልዒሉ፡ ኣነ ዘናን ቁስሊ ኣይኰንኩን፡ ኣብ ቤተይ ድማ እንጌራ ወይስ ክዳን የልቦን፡ እሞ፡ ገዛእ ህዝቢ ኣይትግበሩኒ፡ ክብል እዩ።
8ነዒንቲ ኽብሩ ከቘጥዕወን ኢሎምሲ፡ ልሳኖምን ግብሮምን ንእግዚኣብሄር ስለ እተጻረረ፡ የሩሳሌም ሰንከልከል ትብል፡ ይሁዳ ኸኣ ትወድቕ ኣላ። 9ትርኢት ገጾም ዘርትዖም ይምስክር፡ ንሓጢኣቶም ከም ሶዶም የውርይዎ፡ ኣይሓብእዎን ከኣ፡ ኣብ ርእሶም ሕሰም የምጽኡ ኣለው እሞ፡ ወይለኣ ነፍሶም። 10ንጻድቕ፡ ፍረ ግብሩ ኽበልዕ እዩ እሞ፡ ተዓዊትካ በልዎ። 11ንረሲእሲ እኩይ ክረኽቦ እዩ፡ ግብሪ ኢዱ ኽፍደ እዩ እሞ፡ ወይለኡ። 12ገፋዕቲ ህዝበይ ቈልዑ እዮም፡ ኣንስቲ ኸኣ ይገዝእኦ ኣለዋ። ዎ ህዝበይ፡ መራሕትኻ ኣጋገዩኻ፡ ነታ እትኸደላ መገዲ ኸኣ የጥፍእዋ ኣለው።
13እግዚኣብሄር ክምጒት ይትንስእ፡ ንህዝብታት ክፈርዶም ይቐውም። 14እግዚኣብሄር ነቶም ናይ ህዝቡ ዓበይትን መሳፍንትን ክፈርዶም ይኣቱ፡ ነቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ንስኻትኩም ኢኹም ዝበላዕኩምዎ፡ እቲ ኻብ ድኻታት ዝዘረፍኩምዎ ኣብ ኣባይትኹም ኣሎ። 15ንህዝበይ እትረግጽዎ፡ ንገጽ ድኻታት ከኣ እትደቑሱንሲ፡ ስለምንታይ ኢኹም ይብል እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት።
16መሊሱ እግዚኣብሄር በለ፡ ኣዋልድ ጽዮን ኰሪዐን፡ ክሳውደን ገቲረን፡ በዒንተን ቅምጽ እናበላን ብግንትእ ዝብል ኣረጋግጻን ብሽዋሕዋሕ ዝብል ስልማት እግርን ይኸዳ ኣለዋ እሞ፡ 17እግዚኣብሄር ንናላ ኣዋልድ ጽዮን ከንኲዖ፡ እግዚኣብሄር ድማ ንሓፍረተን ክቐልዖ እዩ። 18በታ መዓልቲ እቲኣ እግዚኣብሄር ንጌጽ ኣምባር እግርን ንጥሉፍ መጐልበብን ንሳንቃ ድርን ኪቕንጥጦ እዩ። 19ንዂትሻን ኣምባር ኢድን መጐልበብን፡ 20ንመጠምጠምያን ስጒሚ ኸሕጽር እተሰርሐ ሰንሰለትን ንቕናትን ቢልቃጥ ሽቱን ክታባውትን፡ 21ንቐለቤት ኣጻብዕን ቀለቤት ኣፍንጫን፡ 22ንኽዳውንቲ በዓልን ባርኖስን፡ ንመደረብታን ሕልሕሎን፡ 23ንመስትያትን ቅዕጭን ዓለባን ንጋማን መጐልበብን ኪቕንጥጦ እዩ። 24ኣብ ክንዲ ምኡዝ ሽቱ ጺእ ጨና፡ ኣብ ክንዲ ቕናት ከኣ ገመድ፡ ኣብ ክንዲ ጐተና ነዃዕ፡ ኣብ ክንዲ ባርኖስ ከኣ ከሊ፡ ኣብ ክንዲ ጽባቐ መልክዕውን ናይ ንዳድ በሰላ ክኸውን እዩ። 25ሰብኡትኪ ብሰይፊ፡ ጀጋኑኺ ኣብ ውግእ ክወድቁ እዮም። 26ደጌታት ክቑዝማን ክሓዝናን እየን፡ ዖንያ ኸኣ ኣብ ምድሪ ኽትቅመጥ እያ።
ትን. ኢሳይያስ ምዕራፍ 4
1በታ መዓልቲ እቲኣ ሾብዓተ ኣንስቲ፡ እንጌራ ንበልዕ፡ ክዳንናውን ንኽደን፡ ሓንትስ ብስምካ ኽንጽዋዕ ሕደገና፡ ጸርፍና ኸኣ ኣርሕቕ፡ እናበላ ንሓደ ሰብኣይ ክሕዛኦ እየን። 2በታ መዓልቲ እቲኣ ነቶም ዘምለጡ ናይ እስራኤል፡ እቲ ጨንፈር እግዚኣብሄር ንጌጽን ንኽብርን፡ እቲ ፍረ ምድሪውን ንሓበንን ሓጐስን ክዀኖም እዩ። 3-4እግዚኣብሄር ብመንፈስ ፍርድን ብመንፈስ ምንዳድን ገይሩ፡ ንርኽሰት ኣዋልድ ጽዮን ምስ ሓጸበ፡ ንደም የሩሳሌም ድማ ካብ ማእከል ምስ ኣጽረየ፡ ኣብ ጽዮን እተሓድገን ኣብ የሩሳሌም ዝተረፈን፡ ነፍሲ ወከፍ ኣብ የሩሳሌም ምስ ህያዋን እተጻሕፈ፡ ቅዱስ እዩ ዝበሃለሉ ግዜክኸውን እዩ። 5ኣብ ልዕሊ ዂሉ ኽብርስ መኸወሊ ክኸውን እዩ እሞ፡ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ዂሉ መሳፍሮ ኣኽራን ጽዮንን፡ ኣብ ልዕሊ ኣኼባታታን ደበናን ትክን ብመዓልቲ፡ ባና ሃልሃል ዝብል ሓዊ ኸኣ ብለይቲ ኽፈጥር እዩ። 6ኣብኡ ኸኣ ብመዓልቲ ኻብ ሃሩር መጽለሊ፡ ካብ ሽሾን ዝናምን ከኣ ጸግዕን መዕቀልን ዝኸውን ድንኳን ክህሉ እዩ።
ትን. ኢሳይያስ ምዕራፍ 5
1ቅነ ፍቁረይ ብዛዕባ ኣታኽልቲ ወይኒ ንፍትወይ እቕነየሉ ኣሎኹ። ፍቁረይ ኣታኽልቲ ወይኒ ኣብ ፍርያም ኲርባ ነበሮ። 2ኰዓቶ ኣእማኑ ኸኣ ኣርዩ ኣውጽእ እሞ፡ ሕሩይ ተኽሊ ወይኒ ተኸለሉ፡ ኣብ ማእከሉ ድማ ግምቢ ሰርሓሉ፡ መሓምተሊ ኸኣ ኣብ ውሽጡ ገበረሉ። ዘቢብ ከፍሪውን ተጸበየ፡ ግናኸ መጺጽ ፍረ ኣፍረየ። 3ኣቱም ኣብ የሩሳሌም እትነብሩን ኣቱም ሰብ ይሁዳን፡ እስኪ ሕጂ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎ ኣታኽልቲ ወይነይን ፍረዱ። 4ነታኽልቲ ወይነይሲ ሓለፋ እቲ ኣነ ዝገበርኩሉ እንታይ ኰን ምተገብረሉ ነይሩ ዘቢብ የፍሪ እዩ ኢለ እናተጸቤኽዎስ፡ ስለምንታይ እዩ መጺጽ ፍረ ዘፍረየ፧
5እምበኣርከ ነቲ ኣብ ኣታኽልቲ ወይነይ ዝገብሮ እፍልጠኩም፡ ንሓጹሩ ክቕንጥጦ እየ፡ መጓሰዪ ኸኣ ክኸውን እዩ፡ ንመካበብያኡ ኸፍርሶ እየ፡ ክርገጽውን እዩ። 6ከባድሞ እየ፡ ኣይክጽልጽልን ኣይክዂስኰስን ድማ እዩ፡ እሾዂን ተዀርባን ከኣ ክበቑሎ እዩ፡ ንደበናታት ድማ ዝናም ከየዝንሙሉ ኽእዝዞም እየ። 7እቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ናይ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊትሲ ቤት እስራኤል እዩ፡ እቲ ተኽሊ ደስታኡ ኸኣ ሰብ ይሁዳ እዮም፡ ፍትሒ ተጸብዩስ፡ እንሆ፡ ምኽዓው ደም፡ ጽድቂ ተጸብዩስ፡ እንሆ፡ ኣውያት ረኸበ።
8ንስኻትኩም በይንኹም ኣብ ማእከል ሃገር ክትነብሩስ፡ እቶም ስፍራ ኽሳዕ ዝሰኣን፡ ቤት ኣብ ቤት ዝድርቡ፡ ግራት ከኣ ናብ ግራት ዘቕርቡ ወይለኦም። 9-10እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ካብ ዓሰርተ ጽምዲ ዘውዕል ኣታኽልቲ ወይንስ ሓደ ባት፡ ሓደ ሆመር ዘርኢ ኸኣ ሓደ ኤፋ ጥራይ ክእቶ እዩ እሞ፡ ብሓደ እቲ ብዙሕ ኣባይቲ ኽዖኑ እዩ፡ እቲ ዓበይቲ ጽቡቕን እኳ ዝነብሮ ዘይብሉ ክኸውን እዩ፡ ኢሉ ኣብ እዝነይ ተዛረበ።
11እቶም ንብርቱዕ መስተ ኽስዕቡ ወጋሕታ ኣንጊሆም ዝትንስኡ፡ ወይኒ ኽሳዕ ዘርስኖም ድማ ኣዝዮም ዘምስዩስ ወይለኦም። 12መሰንቆን ጭራን ከበሮን እምብልታን ወይንን ኣብ ድግሶም ኣሎ፡ ንተግባር እግዚኣብሄር ግና ኣየስተብህልዎን፡ ነቲ ግብሪ ኣእዳው ኸኣ ኣይርእይዎን። 13ስለዚውን ህዝበይ ሰኣን ፍልጠት ተማረኹ፡ ክቡራቶም ብጥሜት ይሞቱ፡ ሰቦም ድማ ብጽምኢ ይነቕጹ ኣለው። 14ስለዚ ሲኦል ንትምኒታ ኣርሒባ፡ ኣፋውን ብዘይ ልክዕ ሃህ ኣቢላ ኣላ፡ ክብረቶምን ብዝሒ ሰቦምን ጌጾምን እቲ ኣብኡ ባህ ዝብሎን ናብኣ ይወርድ ኣሎ። 15እቲ ማንም ሰብ ለጠቕ ክብል፡ እቲ ምርኡይ ከኣ ክዋረድ እዩ፡ ኣዒንቲ ዂሩዓት ድማ ክዋረዳ እየን። 16እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ግና ብፍርዲ ልዕል ይብል፡ እቲ ቅዱስ ኣምላኽ ድማ ብጽድቂ ይቕደስ። 17ሽዑ ዕያውቲ ኸም ኣብ መጓሰይኦም ክጓሰዩ እዮም፡ ነቲ ዝባደመ ቦታ ሃብታማት ከኣ ጓኖት ክበልዕዎ እዮም።
18እቶም ንኣበሳ ብገመድ ሓሶት፡ ንሓጢኣት ከኣ ከም ብመታምር ሰረገላ ዝስሕብዎ ወይለኦም። 19እቶም፡ ክንርእዮስ ይቐልጥፍ፡ ዕዮኡ ኸኣ ፈጢኑ ይግበር፡ ምእንቲ ኽንፈልጦ ድማ፡ ምኽሪ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ትቕረብ ትምጻእውን፡ ዝብሉ ወይለኦም። 20እቶም ነቲ እከይሲ ሰናይ፡ ንሰናይ ከኣ እከይ ዝብሉ፡ ንጸልማትሲ ብርሃን፡ ንብርሃን ድማ ጸልማት ዝገብርዎ፡ ንመሪርሲ ጥዑም፡ ንጥዑምውን መሪር ዝገብርዎ ወይለኦም። 21እቶም ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ጠቢባን፡ ብርእሶም ከኣ ኣስተውዓልቲ ዝዀኑ ወይለኦም።
22እቶም ንምስታይ ወይኒ ዝሕይሉ፡ ዘስክር መስተ ንምሕዋስ ከኣ ዝብርትዑ ሰብ ወይለኦም። 23መማለጃ ተቐቢሎም ንረሲእ ዘጽድቕዎ፡ ንጻድቕ ድማ ጽድቁ ዘግድፍዎ ወይለኦም። 24ንሕጊ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ንዒቖምዎ፡ ንቓል እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ከኣ ተሓሲሞምዎ እዮም እሞ፡ ስለዚ ኸምቲ ልሳን ሓዊ ንብርዒ ዘንድዶ፡ ንቑጽ ሳዕሪ ኸኣ ብሃልሃልታ ሞዂ ዝብል፡ ሱሮም ከም ብዂብዂ ክኸውን፡ ዕምባባኦም ከኣ ከም ዕሻሽ ክተጒጒ እዩ።
25ስለዚ ቁጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ህዝቡ ነደደ፡ ኢዱ ኸኣ ኣባታቶም ዘርግሐ እሞ ወቕዖም፡ ኣኽራን ኣንቀጥቀጡ፡ ሬሳኦም ድማ ከም ጐሓፍ፡ ኣብ ማእከል ኣደባባይ ኰነ። ምስናይዚ ዂሉ ድማ ቁጥዓኡ ኣይተመልሰን፡ ኢዱውን ገና ተዘርጊሓ ኣላ።
26ነቶም ኣብ ርሑቕ ዘለው ኣህዛብ ድማ ሰንደቕ ዕላማ ኸልዕለሎም፡ ካብ ጽንፊ ምድሪ ኸኣ ብፋጻ ኽጽውዖም እዩ፡ እንሆውን ብፍጥነት ቀልጢፎም ክመጹ እዮም። 27ድኹምን ስንከልከል ዝብልን ኣብ ማእከል የልቦን፡ ሓደ እኳ ኣይታኸስን ኣይድቅስን፡ ቅናት ሕቑኦም ኣይፍታሕን፡ ጥላም ሳእኖም ከኣ ኣይብተኽን። 28ፍላጻታቶም በሊሕ፡ ኲሉ ቐስቶም ድማ ግቱር እዩ፡ ሸዀና ኣፍራሶም ከም ኣዝሒት እዩ፡ መንኰርኰር ሰረገላታቶም ከኣ ከም ህቦብላ እዩ። 29ምጒዛሞም ነቲ ናይ ዋዕሮ ይመስል፡ ከም ሽደን ኣንበሳ ይጓዝሙ፡ የጒራዕርዑ፡ ግዳዮም ዓትዒቶም ኣብ ጽኑዕ ይወስድዎ፡ ዘናግፍውን የልቦን። 30በታ መዓልቲ እቲኣ ኸም ህማም ባሕሪ ኣብኦም ክሃሙ እዮም፡ ኣብታ ሃገር እንተ ጠመትካ ኸኣ፡ እንሆ፡ ጸልማት ጸበባን፡ እቲ ብርሃንውን ኣብ ደበናታታ ይጽልምት።
ትን. ኢሳይያስ ምዕራፍ 6
1በታ ንጉስ ኡዝያ ዝሞተላ ዓመት ኣነ፡ እግዚኣብሄር ኣብ በሪኽን ልዕል ዝበለን ዝፋን ተቐሚጡ ኸሎ፡ ርእኽዎ፡ ዘፈራት ልብሱ ኸኣ ነቲ መቕደስ መሊእዎ ነበረ። 2ኣብ ልዕሊኡ ድማ ሱራፌል ቈይሞም ነበሩ፡ ነፍሲ ወከፎም ሹድሽተ ኽንፊ ኣለዎ፡ በቲ ኽልተ ንገጹ ይኸድኖ፡ በቲ ኽልተ ድማ ነእጋሩ ይኸድኖ፡ በቲ ኽልተውን ይነፍር ነበረ።
3እቲ ሓደ ኸኣ፡ ቅዱስ፡ ቅዱስ፡ ቅዱስ እዩ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ ኲላ ምድሪ ብኽብሩ መሊኣ ኣላ፡ ኢሉ ኣድሃየ። 4ብድምጺ እቶም ዘድሃዩ እቲ መሰረት ልዳውቲ ኣንቀጥቀጠ፡ እታ ቤትውን ትኪ መልእት።
5ሽዑ ድማ፡ ከናፍረይ ዝርኹስ ሰብ እየ፡ ኣብ ማእከል እቲ ኸናፍሩ ዝርኹስ ህዝቢ ኸኣ እነብር ኣሎኹ እሞ፡ ወይለይ፡ ኣዒንተይ ንንጉስ፡ ንእግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ ርእየን እየን እሞ፡ ጠፋእኩ፡ በልኩ። 6ካብቶም ሱራፌል ሓደ ድማ፡ ጓህሪ ኻብቲ መሰውኢ ብጒጤት ወሲዱ፡ ኣብ ኢዱ ሒዙ ናባይ ነፈረ። 7ብእኡ ኸኣ ኣፈይ ተንከየ እሞ፡ እንሆ፡ እዚ ንኸናፍርካ ተንከዮ፡ ኣበሳኻ ረሓቐልካ፡ ሓጢኣትካውን ጸረየልካ፡ በለ።
8ንመን ክልእኽ መንከ ክኸደልና እዩ ዝብል ድምጺ እግዚኣብሄር ሰማዕኩ። ኣነውን፡ እኔኹ ልኣኸኒ፡ በልኩ። 9-10ንሱ ድማ፡ ኪድ እሞ ነዚ ህዝቢ እዚ፡ ምስማዕሲ ስምዑ፡ ግናኸ ኣይተስተውዕሉ፡ ምርኣይሲ ርኣዩ፡ ግናኸ ኣይተለልዩ፡ ኢልካ ተዛረቦ። ምእንቲ በዒንቶም ከይርእዩ፡ በእዛኖም ከኣ ከይሰምዑ፡ ብልቦምውን ከየስተውዕሉ፡ ከይምለሱ እሞ ከይሓውዩስ፡ ንልቢ እዚ ህዝቢ እዚ ድፈኖ፡ ነእዛኖም ኣጽምመን፡ ነዒንቶምውን ዓምተን፡ ኢሉ ተዛረበኒ።
11ኣነ ኸኣ፡ ጐይታየ፡ ክሳዕ መኣዝ፡ በልኩ። ንሱ ድማ በለ፡ ከተማታት ክሳዕ ዝባድማ እሞ ዝነብረን ዘይብለን፡ ኣባይቲ ብዘይ ሰብ፡ እታ ሃገርውን በረኻ ዀይና ኽሳዕ እትባድም፡ 12እግዚኣብሄር ንሰብ ክሳዕ ዘግዕዞም፡ ኣብ ማእከል እታ ሃገርውን ጽምዊ ስፍራታት ክሳዕ ዝበዝሕ። 13ዕሽር እኳ ኣብኣ እንተ ተረፈ፡ ንሱውን መሊሱ ኽጠፍእ እዩ። ግናኸ ከምቲ መመናን ኣውሕን ምስ ተቘርጸ፡ ጒንዱ ዝተርፍ፡ ከምኡ እቲ ቅዱስ ዘርኢ ጒንዱ ክኸውን እዩ።
ትን. ኢሳይያስ ምዕራፍ 7
1ኰነ ኸኣ፡ ሬጺን ንጉስ ሶርያን ጴቃሕ ወዲ ረማልያ ንጉስ እስራኤልን ብዘመን ኣሃዝ ወዲ ዮታም፡ ወዲ ኡዝያ፡ ንጉስ ይሁዳ፡ ንየሩሳሌም ክዋግእዋ ተላዕሉ፡ ግናኸ ኣይተኻእሎምን። 2ንቤት ዳዊት ከኣ፡ ሶርያ ኣብ ኤፍሬም ሰፊሮም፡ ኢሎም ኣውረዩሎም። ከምቲ ኣእዋም ዱር ብንፋስ ዝናውጽ፡ ልቡን ልቢ ህዝቡን ተናወጸ።
3ሽዑ እግዚኣብሄር ንኢሳይያስ በሎ፡ ንስኻ ምስ ሸኣርያሸብ፡ ወድኻ፡ ውጻእ እሞ ኣብቲ ወሰን መስኖ ላዕላይ ቀላይ ብጽርግያ ግራት ሓጻቢ ንኣሃዝ ተቐባበሎ፡ 4እሞ ንገሮ፡ ተጠንቀቕ፡ ህዳእ ኣይትፍራህውን፡ በዘን ክልተ ተኸኽቲ ተረፍ እያድ፡ በቲ ናይ ሬጺንን ናይ ሶርያን ናይ ወዲ ረማልያን ጒሁር ቁጥዓ ኸኣ ልብኻ ኣይጥፋእ። 5-6ሶርያን ኤፍሬምን ወዲ ረማልያን፡ ናብ ይሁዳ ንደይብ እሞ ንሸብራ፡ ኣፍሪስና ንእቶ፡ ንወዲ ጣብኤል ከኣ ኣብኣ ነንግሶ፡ እናበሉ እኩይ መኺሮምልካ ኣለው። 7-8እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል፡ ርእሲ ሶርያ ደማስቆ፡ ርእሲ ደማስቆ ኸኣ ሬጺን እዩ እሞ፡ እዚ ኣይክቐውምን ኣይክኸውንን ድማ እዩ፡ ብስሳን ሓሙሽተን ዓመት ድማ ኤፍሬም ህዝቢ ኸይከውን ክጭፍለቕ እዩ። 9ርእሲ ኤፍሬም ከኣ ሰማርያ እያ፡ ርእሲ ሰማርያ ድማ ወዲ ረማልያ እዩ። እንተ ዘይኣመንኩም፡ ብሓቂ ኣይትጸንዑን ኢኹም።
10-11እግዚኣብሄር ድማ፡ ካብ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ትእምርቲ ለምን፡ ካብቲ ዓሚቑ ወይስ ካብቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ በሪኽ ለምን፡ ኢሉ ኸም ብሓድሽ ንኣሃዝ ነገሮ። 12ኣሃዝ ግና፡ ኣይልምንን፡ ንእግዚኣብሄር ከኣ ኣይፍትኖን እየ፡ በለ። 13ሽዑ በለ፡ እምበኣርሲ ኣቱም ቤት ዳዊት፡ ስምዑ፡ እቲ ንሰብ ላሕ ምባልኩምዶ ውሒዱ እዩ፡ ንኣምላኸይ ድማ ላሕ እተብልዎ 14ስለዚ እግዚኣብሄር ባዕሉ ትእምርቲ ኽህበኩም እዩ፡ እንሆ፡ ድንግል ክትጠንስ፡ ወዲ ኸኣ ክትወልድ እያ፡ ስሙውን ኣማኑኤል ክትሰምዮ እያ። 15ንእከይ ምእባይ ንሰናይ ከኣ ምሕራይ ክሳዕ ዝፈልጥሲ፡ ጠስምን መዓርን ክበልዕ እዩ። 16እቲ ቘልዓ ንእከይ ምእባይ ንሰናይ ከኣ ምሕራይ ከይፈለጠ፡ ሃገር እቶም እትፈርሆም ዘሎኻ ኽልተ ነገስታ ክትሕደግ እያ። 17ኤፍሬም ካብ ይሁዳ ኻብ ዝፍለ መዓልቲ ጀሚሩ፡ እግዚኣብሄር ከምኡ ዘመሰለ መዓልትታት ከቶ ዘይመጻ፡ ኣባኻን ኣብ ህዝብኻን ኣብ ቤት ኣቦኻን ከምጽእ እዩ፡ ማለት ንጉስ ኣሶር።
18በታ መዓልቲ እቲኣ ክኸውን እዩ፡ እግዚኣብሄር ነቲ ኣብ ወሰን ርባታት ግብጺ ዘሎ ጽንጽያን ኣብ ምድሪ ኣሶር ዘሎ ንህብን ብፋጻ ኽጽውዖም እዩ። 19ንሳቶም ከኣ ክመጹ እሞ ኲላቶም ኣብ ጽምዊ ሽንጭሮን ኣብ ምንቃዕ ኣኻውሕን ኣብ ኲሉ ኣእሻዂን ኣብ ኲሉ ስዕሩር ምድርን ክሰፍሩ እዮም።
20በታ መዓልቲ እቲኣስ እግዚኣብሄር በታ ኻብ ስግር ርባ እተኻረያ መላጸ፡ ማለት ንጉስ ኣሶር፡ ንርእስን ንጸጒሪ እግርን ክላጺ እዩ፡ ንጭሕሚውን ክሰዶ እዩ።
21-22በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ክኸውን እዩ፡ ኣብታ ሃገር ዝተረፈ ዘበለ ዂሉስ ጠስምን መዓርን ክበልዕ እዩ እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንሓንቲ በኳር ኣርሕን ንኽልተ ኣባጊዕን ክምግብ እዩ፡ ካብ ብዝሒ ጸበእን እተላዕለ ኸኣ ጠስሚ ኽበልዕ እዩ።
23በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ክኸውን እዩ፡ ኣብቲ ሽሕ ቅርሺ ዝገምጋሙ ሽሕ ተኽሊ ወይኒ ዘለዎ ዂሉ ስፍራስ፡ እሾዂን ተዀርባን ክዀኖ እዩ። 24ኲላ እታ ምድሪ እቲኣ እሾዂን ተዀርባን ክትከውን እያ እሞ፡ ፍላጻን መንትግን ሒዞም ናብኣ ኽኣትው እዮም። 25እቲ ብመባሮ ዝባሮ ዝነበረ ዂሉ ዀረቢት ከኣ ካብ ፍርሂ እሾዂን ተዀርባን እተላዕለ ሓደ እኳ ዝኸዶ የልቦን፡ ግናኸ መውፈር ኣብዑርን መርገጽ ኣባጊዕን ክኸውን እዩ።
ትን. ኢሳይያስ ምዕራፍ 8
1እግዚኣብሄር ድማ፡ ዓብዪ ሰሌዳ ውሰድ ኣብኡውን፡ ቀልጢፍካ ዝመት፡ ፈጢንካ ማርኽ፡ ኢልካ ብብርዒ ሰብ ጸሓፍ፡ በለኒ። 2እሙናት ምስክር ከኣ፡ ንኡርያ እቲ ኻህንን ንዘካርያስ ወዲ ይቤፊኽያን ወሰድኩ። 3-4ኣብታ ነብይት ከኣ ቀረብኩ፡ ንሳውን ጠነሰት ወዲ ኸኣ ወለደት። ሽዑ እግዚኣብሄር፡ እቲ ሕጻን ኣቦይን ኣደይን ምባል ከይፈለጠ፡ ሃብቲ ደማስቆን ምርኮ ሰማርያን ኣብ ቅድሚ ንጉስ ኣሶር ክወስድዎ እዮም እሞ፡ ነቲ ሕጻን፡ ቀልጢፍካ ዝመት፡ ፈጢንካ ማርኽ፡ ኢልካ ስመዩ፡ በለኒ።
5ከም ብሓድሽ ከኣ እግዚኣብሄር ከምዚ ኢሉ ተዛረበኒ፡ 6እዚ ህዝቢ እዚ ነቲ ለመም ኢሉ ዝውሕዝ ማይ ሰሊሆም፡ ንዒቑ፡ ብረጺንን ብወዲ ረማልያን ከኣ ተሓጒሱ እዩ እሞ፡ 7ምእንትዚ እንሆ፡ እግዚኣብሄር ነቲ ብርቱዕን ዓብይን ማያት ርባ፡ ማለት ንጉስ ኣሶርን ኲሉ ኽብሩን፡ ኣብ ልዕሊኦም ከደይቦ እዩ፡ ንሱውን ንዂሉ ደንደሱ ኽሓልፎን ኣብ ኲሉ ገምገሙ ኸውሕዝን እዩ። 8ናብ ይሁዳ ጥሒሱ ኽኣቱ፡ ኣብ ልዕሊ ገምገሙ ወጺኡ እናሓለፈ፡ ክሳዕ ክሳድ ክበጽሕ እዩ። ዎ ኣማኑኤል፡ ምዝርጋሕ ኣኽናፉውን ንራሕቢ ሃገርካ ኽመልኦ እዩ።
9ኣቱም ህዝብታት፡ ነድሩ እሞ ክትጭፍለቑ ኢኹም፡ ኣቱም ሰብ ርሑቕ ሃገር ከኣ ኲሉኹም፡ ጽን በሉ፡ ተዓጠቑ እሞ ክትጭፍለቑ፡ ተዓጠቑ እሞ ክትጭፍለቑ ኢኹም። 10እግዚኣብሄር ምሳና እዩ እሞ፡ ምኽሪ መድቡ፡ ክዝርዘር ከኣ እዩ፡ ቃል ተዛረቡ፡ ኣይክቐውምን ድማ እዩ። 11እግዚኣብሄር ብሓያል ኢድ ከምዚ ተዛሪቡኒ እዩ እሞ፡ ብመገዲ እዚ ህዝቢ እዚ ኸይመላለስ ከምዚ ኢሉ ገሰጸኒ፡ 12እዚ ህዝቢ እዚ ምምሕሓል ንዝብሎ ዂሉ ምምሕሓል ኣይትበልዎ፡ ነቲ ዝፈርሆ ኸኣ ኣይትፍርህዎ፡ ብእኡውን ኣይትሰክሑ። 13ንእግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ ንእኡ ቀድስዎ፡ ንሱ ፍርሃትኩም ይኹን፡ ንሱ ስምባድኩም ይኹን። 14ንሱ ኸኣ መቕደስ ክኸውን እዩ፡ ነተን ክልተ ቤት እስራኤል ግና እምኒ ምዕንቃፍን ከውሒ ምንስታትን፡ ነቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነብሩውን መድፈናን መፈንጠጣን ክዀኖም እዩ። 15ብዙሓት ካባታቶም ከኣ ክዕንቀፉን ክወድቁን ክስበሩን ክፍንጠሩን ክተሓዙን እዮም።
16ኣብ ማእከል ደቀ መዛሙርተይ ምስክር እሰር፡ ሕጊውን ሕተም። 17ኣነስ ነቲ ኻብ ቤት ያእቆብ ገጹ ዝሓብእ እግዚኣብሄር እጽበ፡ ብእኡውን ተስፋ እገብር ኣሎኹ። 18እንሆ፡ ኣነን እቶም እግዚኣብሄር ዝሃበኒ ደቅን፡ ኣብ ከረን ጽዮን ዝነብር እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ ኣብ እስራኤል ንትእምርትን ተኣምራትን ኴንና ኣሎና። 19ነቶም ብሕሽዂሽዂን ብሰላሕ ላሕን ዝዛረቡ ጠንቈልትን ኣስማተኛታትን ጠይቑ፡ እንተ በሉኹም፡ ንስኻትኩም ከኣ፡ ህዝቢዶ ንኣምላኹ ኣይሓትትን፡ ብዛዕባ ህያዋንሲ ንምውታትዶ ይሓትት እዩ ኢልኩም ምለሱሎም። 20ናብ ሕግን ናብ ምስክርን፡ ከምዚ ዘመሰለ ቓል እንተ ዘይተናገሩ፡ ብሓቂ ወጋሕታ የብሎምን።
21ሸጊርዎምን ጠምዮምን ኣብታ ሃገር ክዞሩ እዮም። ምስ ጠመዩ ድማ፡ ሓሪቖም ንንጉሶምን ኣምላኾምን ክረግሙ እዮም። ንላዕሊ ገጾም ከንቃዕርሩ፡ 22ናብ ምድሪ ድማ ክጥምቱ እዮም፡ እንሆውን፡ ጸበባን ጸልማትን ዘሸብር ጽልግልግታን ኣሎ፡ ናብ ድቕድቕ ጸልማት ክድፍኡ እዮም።
ትን. ኢሳይያስ ምዕራፍ 9
1ግናኸ ኣብታ እትሽገር ሃገርሲ ጸልማት ኣይክነብርን እዩ። ኣብቲ ዘመን ቀደም ንምድሪ ዛብሎንን ንምድሪ ንፍታሌምን ከም ዘቃለለን፡ ከምኡ ኣብቲ ዳሕራይ ዘመን ንመገዲ ባሕሪ፡ ንማዕዶ ዮርዳኖስ፡ ነታ ናይ ኣህዛብ ገሊላ ከኽብራ እዩ። 2እቲ ኣብ ጸልማት ዝመላለስ ህዝቢ ዓብዪ ብርሃን ረኣየ፡ ነቶም ኣብ ምድሪ ድነ ሞት ዝነብሩውን ብርሃን ኣብርሃሎም። 3ነቲ ህዝቢ ኣብዛሕካዮ፡ ንሓጐሶም ከኣ ኣዕቤኻዮ፡ ከምቲ ሓጐስ ቀውዕን ከምቲ ምርኮ ኽማቐሉ ኸለው ዝሕጐሱን፡ ከምኡ ኣብ ቅድሜኻ ይሕጐሱ። 4ነርዑት ጾሩን ንበትሪ መንኲቡን ንስላዕ ገፋዒኡን ከም ብመዓልቲ ሚድያን ጌርካ ሰበርካዮ። 5ሰብ ኣብ ውግእ እተዓጥቆ ዘበለ ኣጽዋርን፡ ብደም እተዓለሰ ኽዳንን ክነድድ፡ ሓዊ ድማ ክበልዖ እዩ። 6ሕጻን ተወሊዱልና፡ ወዲ ተውሂብና እዩ እሞ፡ እቲ ግዝኣት ከኣ ኣብ መንኲቡ እዩ፡ ስሙውን ግሩም፡ መካር፡ ብርቱዕ ኣምላኽ፡ ኣቦ ዘለኣለም፡ መስፍን ሰላም ክስመ እዩ። 7ብፍርድን ብጽድቅን ካብ ሕጂ ኽሳዕ ዘለኣለም ምእንቲ ኸጽንዓን ከቑማንሲ፡ ኣብ ዝፋን ዳዊትን ኣብ መንግስቱን ዕቤት ግዝኣቱን ሰላሙን መወዳእታ የብሉን። ቅንኣት እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ነዚ ኽገብር እዩ።
8እግዚኣብሄር ናብ ያእቆብ ቃል ሰደደ፡ እዚውን ኣብ እስራኤል ወደቐ። 9-10ኲሉ እቲ ህዝብን እቶም ብትዕቢት ብዂርዓት ልቦምን፡ ጡብ ፈረስ፡ ግናኸ ብውቑር እምኒ ኽንሃንጽ፡ ኦም ሳግላ ተቘርጸ፡ ግናኸ ጽሕዲ ኽንትክኣሉ ኢና፡ ዝብሉ ኤፍሬምን እቶም ኣብ ሰማርያ ዝነብሩን ክፈልጡ እዮም። 11ስለዚ እግዚኣብሄር ንተጻረርቱ ሬጺን ኣብ ልዕሊኡ ኸተንስኣሉ፡ ንጸላእቱውን ከለዓዕሎም እዩ፡ 12ሰብ ሶርያ ኻብ ምብራቕ፡ ፍልስጥኤማውያን ድማ ካብ ምዕራብ፡ እዚኣቶም ከኣ ኣፎም ሃህ ኣቢሎም ንእስራኤል ክውሕጥዎም እዮም። ምስናይ እዚ ዂሉስ ቁጥዓኡ ኣይተመልሰን፡ ኢዱውን ገና ተዘርጊሓ ኣላ።
13እቶም ህዝቢ ግና ናብቲ ዝወቕዖም ኣይተመልሱን፡ ንእግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከኣ ኣይደለይዎን። 14ስለዚ እግዚኣብሄር ንርእስን ጭራን፡ ንስየን ሰልሰላን ካብ እስራኤል ብሓንቲ መዓልቲ ክቘርጾ እዩ። 15እቲ ዓብይን እቲ ምርኡይን ርእሲ እዩ፡ እቲ ሓሶት ዝምህር ነብዪ ኸኣ ጭራ እዩ።
16መራሕቲ እዚ ህዝቢ እዚ መስሓትቲ እዮም፡ እቶም ብኣታቶም ዝምርሑውን ክጠፍኡ እዮም። 17ኲላቶም ግቡዛትን ገበርቲ ኽፋእን እዮም፡ ኲሉ ኣፍ ከኣ ዕሽነት ይዛረብ እዩ እሞ፡ ስለዚ እግዚኣብሄር በጒባዞም ኣይክሕጐስን እዩ፡ ንዘኽታማቶምን ንመበለታቶምን ከኣ ኣይክርሕርሓሎምን እዩ። ምስናይ እዚ ዂሉስ ቁጥዓኡ ኣይተመልሰን፡ ኢዱውን ገና ተዘርጊሓ ኣላ።
18ረሲእነት ከም ሓዊ ይነድድ እሞ፡ ንእሾዂን ተዀርባን ይበልዖ፡ ኣብ ጽቡቕ ዱር ይባራዕ፡ ከም ኣዕኑድ ትኪውን ንላዕሊ ይወጽእ። 19እታ ሃገር ብቑጥዓ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ትነድድ፡ ህዝቢ ድማ ኣደዳ ሓዊ ይኸውን፡ ሓደ እኳ ንሓው ኣይንሕፍን። 20ሰብ ካብ የማን ይምንጥል ይጠሚ ኸኣ፡ ካብ ጸጋም ይውሕጥ ኣይጸግብን ድማ፡ ነፍሲ ወከፍ ካብ ቀቅልጽሙ ስጋ ኽበልዕ እዩ። 21ምናሴ ንኤፍሬም፡ ኤፍሬም ከኣ ንምናሴ ይበልዖ፡ ሓቢሮምውን ንይሁዳ ይቃወምዎ። ምስናይ እዚ ዂሉስ ቁጥዓኡ ኣይተመልሰን፡ ኢዱውን ገና ተዘርጊሓ ኣላ።
ትን. ኢሳይያስ ምዕራፍ 10
1-2እቶም ንሽጉራትሲ ፍትሒ ክኸልእዎም፡ ንድኻታት ህዝበይ ከኣ መሰሎም ከግድፍዎም፡ ንመበለታት ምርኮኦም ክገብርወን፡ ንዘኽታማት ድማ ምእንቲ ክኸትርዎም ኢሎምሲ፡ ሕጋጋት ዓመጻ ዝሕግጉ፡ ሕሰም ዝጽሕፉ ጸሓፍቲ ወይለኦም። 3ብመዓልቲ ቕጽዓትን ህቦብላን ኻብ ርሑቕ ምስ ዝመጽእን እንታይ ክትገብሩ ኢኹም ረዲኤት ክትረኽቡ ናብ መን ክትሃድሙ ንኽብርኹምከ ኣበይ ክትሓድግዎ ኢኹም 4ብዘይ ኣብ ትሕቲ እሱራት ምድናንን ኣብ ማእከል ቅቱላት ምውዳቕን ዝተርፎም የልቦን። ምስናይ እዚ ዂሉ ቁጥዓኡ ኣይተመልሰን፡ ኢዱውን ገና ተዘርጊሓ ኣላ።
5ኣሶር ሸቦጥ ቁጥዓይ ወይለኡ፡ እቲ ኣብ ኢዱ ዘሎ በትሪ ኸኣ ኲራይ እዩ። 6ናብ ረሲእ ህዝቢ ኽሰዶ እየ፡ ክዘምትን ክብዝብዝን ከም ጭቃ ኣደባባይ ከኣ ክረግጾምንሲ፡ ናብቲ ወለዶ ነድረይ ክእዝዞ እየ። 7ንሱ ግና ከምኡ ኣይመስሎን፡ ልቡውን ከምኡ ኣይሓስብን እዩ፡ ኣብ ልቡስ ምጥፋእን፡ ንሒደት ዘይኰነ ኣህዛብ ከኣ ምጽናትን እዩ ዘሎ። 8ይብል ኣሎ እሞ፡ ኲሎም መሳፍንተይዶ ነገስታት ኣይኰኑን 9ከልኖዶ ኸም ከርከሚሽ ኣይኰነትን ሃማትከ ኸም ኣርፋድዶ ኣይኰነትን ሰማርያስ ከም ደማስቆዶ ኣይኰነትን 10ከምቲ ነቶም ካብ የሩሳሌምን ካብ ሰማርያን ዝበልጽ፡ ጽሩብ ምስልታት ዝነበሮም መንግስትታት ጣኦታት፡ ኢደይ ዘርከበቶም፡ 11ከምቲ ንሰማርያን ንጣኦታታን ዝገበርክዎ፡ ንየሩሳሌምን ንጣኦታታንሲ ኸምኡዶ ኣይክገብርን እየ፧
12እምበኣርሲ ክኸውን እዩ፡ እግዚኣብሄር ኲሉ ግብሩ ኣብ ከረን ጽዮንን ኣብ የሩሳሌምን ምስ ፈጸመ፡ ነቲ ፍረ ዕቡይ ልቢ ንጉስ ኣሶርን፡ ንድርቅና እተን ኲሩዓት ኣዒንቱን ክቐጽዕ እየ። 13ኢሉ እዩ እሞ፡ ኣስተውዓሊ ስለ ዝዀንኩ፡ ብሓይሊ ኢደይን ብጥበበይን ገበርክዎ፡ ንዶብ ህዝብታት ከኣ ኣዝበልክዎ፡ ንመዛግቦም ድማ ዘመትክዎ፡ ከም ጅግናውን ነቶም ኣብ ዝፋን እተቐመጡ ኣውረድክዎም። 14ኢደይ ከኣ ንሃብቲ ህዝብታት ከም ቤት ዑፍ ረኸበቶ፡ ከምቲ ንድርቡይ እንቋቑሖ ዝእክቦ፡ ኣነውን ከምኡ ንብዘላ ምድሪ ኣኪበያ ኣሎኹ እሞ፡ ሓደ እኳ ኽንፉ ዘንገብግብ፡ ወይስ ኣፉ ኸፊቱ ጭቑጭቑ ዝብል ኣይነበረን። 15ምሳርሲ ኣብ ልዕሊ እቲ ብእኡ ዝኸርት ዘሎዶ ይጀሃር እዩ፧ መጋዝከ ነቲ ሰሓቢኡ ኽንዕቕ ኢሉዶ ይዕበየሉ እዩ ሸቦጥሲ ነቶም ዝልዕልዎ መኣዝ እዩ ዘወሳወሶም በትሪኸ ነቲ ዘይዕንጸይቲ መኣዝ እዩ ሓፍ ዘበሎ፧
16ስለዚ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ናብቶም ህጣራታቱ ዕብራን ክሰድድ እዩ፡ ብትሕቲ ኽብሩውን፡ ከም ምብራዕ ሓዊ ገይሩ፡ ባርዕ ከባርዕ እዩ፡ 17እቲ ብርሃን እስራኤልሲ ሓዊ፡ ቅዱሱ ድማ ሃልሃልታ ክኸውን እዩ፡ ንእሾኹን ተዀርባኡን ከኣ ኣንዲዱ ብሓንቲ መዓልቲ ኽበልዖ እዩ። 18ንኽብሪ ዱሩን ፈራዪ ግርሁኡን ካብ ነፍሲ ኽሳዕ ስጋ ኸጥፍኦ እዩ፡ ከምቲ ምምህማን ብሕማም ዝማሰነ ሰብ ክኸውን እዩ። 19እቲ ኻብ ዱሩ ዝተረፈ ኣእዋም ከኣ፡ ቈልዓ እኳ ኽሳዕ ዝጽሕፎ፡ ቁጽሪ ሒደት ክኸውን እዩ።
20በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ክኸውን እዩ፡ እቶም ካብ እስራኤል ዝተረፉን እቶም ዘምለጡ ናብ ቤት ያእቆብን ብሓቂ ኣብ እግዚኣብሄር፡ ኣብቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ፡ ክጽግዑ እዮም እምበር፡ ድሕሪ ደጊምሲ ኣብቲ ወቓዒኦም ኣይክጽግዑን እዮም። 21እቲ ትራፍ፡ እቲ ኻብ ያእቆብ ዝተረፈ፡ ናብቲ ብርቱዕ ኣምላኽ ክምለስ እዩ። 22ዎ እስራኤል፡ ህዝብኻ ኸም ሑጻ ባሕሪ እኳ እንተ ዀነስ፡ ተረፍ ጥራይ ክምለስ እዩ፡ ጥፍኣት ምዱብ እዩ፡ እዚውን ንጽድቂ ኸውሕዞ እዩ። 23ስለዚ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ኣብ ማእከል ኲላ ምድሪ ምዱብ ጥፍኣት ክፍጽም እዩ።
24ስለዚ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል፡ ኣታ ኣብ ጽዮን እትነብር ዘሎኻ ህዝበይ፡ ኣሶርሲ ምንም እኳ ብስላዕ እንተ ወቕዓካ፡ ከምቲ ኣዋቓቕዓ ግብጺ በትሩ እንተ ኣልዓለልካ፡ ኣይትፍርሃዮ። 25ቅሩብ ግዜ እምበር እቲ ዂራ ኽወዳእ፡ ቁጥዓይ ከኣ ንጥፍኣቶም ክምለስ እዩ። 26እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ድማ፡ ከምቲ ኣብ ከውሒ ሆሬብ ንሚድያን ዝወቕዓ፡ ጭጒራፍ ከልዕለሉ እዩ፡ በትሪ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ባሕሪ ክኸውን እዩ፡ ከምቲ ኣብ ግብጺ ዝገበሮውን ከልዕሎ እዩ። 27በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ክኸውን እዩ፡ ጾሩ ኻብ መንኲብኻ፡ ኣርዑቱ ድማ ካብ ክሳድካ ኽወርድ እዩ። እቲ ኣርዑትውን ካብ ስብሒ እተላዕለ ኽስበር እዩ።
28ናብ ዓያት ይመጽእ፡ ብሚግሮን ይሓልፍ፡ ኣብ ሚኽማሽ ኣቓሕኡ የንብር ኣሎ። 29ብኽሳድ ይሓልፉ፡ ኣብ ጌባ ኸኣ ማሕደሪኦም ይገብሩ ኣለው። ራማ ራዕራዕ ትብል፡ ናይ ሳኦል ጊብዓ ድማ ትሃድም ኣላ። 30ኣቲ ጓል ጋሊም፡ ዓው ኢልኪ ኣእውዪ፡ ዎ ላይሻ፡ ጽን በሊ፡ ኣናቶት ከኣ ይወኣነይቲ። 31ማድሜና ትሃድም፡ ሰብ ጌቢም ከኣ ከብቶም የህድሙ። 32በዛ መዓልቲ እዚኣ ኣብ ኖብ ይውዕል፡ ኢዱ ኣብ ልዕሊ ኸረን ጓል ጽዮን፡ ኣብ ኲርባ የሩሳሌም የዋጣውጥ ኣሎ።
33እንሆ፡ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ንጨናፍር ብዘሰክሕ ሓይሊ ይሰልዖም፡ እቶም ነዊሕ ዝቑመቶም ይቑረጹ፡ እቶም ልዑላት ከኣ ለጠቕ ይብሉ ኣለው። 34ነቲ ዕሙር ዱር ብሓጺን የብርሶ፡ ሊባኖስ ከኣ ብኢድ እቲ ስልጡን ይወድቕ።
ትን. ኢሳይያስ ምዕራፍ 11
1ካብቲ ኽሩት ጒንዲ እሰይ ከኣ ሓደ ጠጥዒ ኽጭብጭብ እዩ፡ ሓደ ጨንፈርውን ካብ ሱሩ ፍረ ኽፈሪ እዩ። 2ኣብ ልዕሊኡ ድማ መንፈስ እግዚኣብሄር፡ መንፈስ ጥበብን ኣእምሮን መንፈስ ምኽርን ሓይልን፡ መንፈስ ፍልጠት እግዚኣብሄርን ፍርሃቱን ክዓርፍ እዩ። 3ታሕጓሱ ኣብ ፍርሃት እግዚኣብሄር እዩ፡ ዓይኑ ኸም እትርእዮ ኣይክፈርድን፡ እዝኑ ኸም እትሰምዖ ኸኣ ኣይክብይንን እዩ። 4ግናኸ ንድኻታት ብጽድቂ ኽዳኒ፡ ነቶም ዓቃላት ምድሪ ኸኣ ብቕንዕና ኽብይን፡ ብበትሪ ኣፉ ንምድሪ ኽወቕዓ፡ ብመንፈስ ከናፍሩ ድማ ንረሲኣን ክቐትሎም እዩ። 5ጽድቂ ኸኣ ቅናት ሕቑኡ፡ እምንነትውን ማዕጥቖ ምሕኲልቱ ክኸውን እዩ። 6ተዂላ ምስ ዕየት ክሰፍር፡ ነብሪ ኸኣ ምስ ማሕስእ ክድቅስ፡ ምራኽን ኲርኲር ኣንበሳን ሰባብሕትን ሓቢሮም ክውዕሉ፡ ንእሽቶ ወዲውን ክጓስዮም እዩ። 7ላምን ድብን ብሓደ ወፊረን ክበልዓ፡ ወለልደን ከኣ ብሓደ በጥ ክብሉ እዮም፡ ኣንበሳውን ከም ብዕራይ ሓሰር ክበልዕ እዩ። 8ዝጠቡ ሕጻን ኣብ ጥቓ እንዳ ተመን ክጻወት፡ እቲ ጡብ ሕዳግ ድማ ኢዱ ናብ ጒድጓድ ከይሲ ኽዝርግሕ እዩ። 9ከምቲ ማያት ንመዓሙቑ ባሕሪ ዘጐልብቦ፡ ምድሪ ብፍልጠት እግዚኣብሄር ክትመልእ እያ እሞ፡ ኣብ ኲሉ እቲ ቅዱስ ከረነይ ሓደ እኳ እከይን ጒድኣትን ዝገብር ኣይክህሉን እዩ።
10በታ መዓልቲ እቲኣ ክኸውን እዩ፡ ኣህዛብ ነቲ ንህዝብታት ሰንደቕ ዕላማ ክኸውን እተተኽለ ጠጥዒ ሱር እሰይ ክደልዩ እዮም፡ ማሕደሪኡ ኸኣ ክቡር ክኸውን እዩ።
11በታ መዓልቲ እቲ ክኸውን እዩ፡ እግዚኣብሄር ነቲ ኻብ ኣሶርን ካብ ግብጽን ካብ ጳጥሮስን ካብ ኢትዮጵያን ካብ ኤላምን ካብ ሲንኣርን ካብ ሃማትን ካብ ደሴታት ባሕርን ተሪፉ ዘሎ ትራፍ ህዝቡ ምእንቲ ኸጥርዮስ፡ ከም ብሓድሽ ካልኣይ ሳዕ ኢዱ ኽዝርግሕ እዩ። 12ነህዛብ ከኣ ሰንደቕ ዕላማ ኽተኽለሎም፡ ነቶም ካብ እስራኤል እተሰጉ ድማ ክእክቦም፡ ነቶም ካብ ይሁዳ ፋሕ ዝበሉውን ካብ ኣርባዕተ መኣዝን ምድሪ ኽኣኻኽቦም እዩ። 13ቅንኢ ኤፍሬም ክርሕቕ እዩ፡ ጸላእቲ ይሁዳ ኸኣ ክጸንቱ እዮም። ኤፍሬም ንይሁዳ ኣይክቐንኣሉን፡ ይሁዳ ድማ ንኤፍሬም ኣይከጨንቖን እዩ። 14ኣብ መንኲብ ፍልስጥኤማውያን ንምዕራብ ኣቢሎም ክነፍሩ፡ ብሓደ ዀይኖም ድማ ንደቂ ምብራቕ ክዘምቱ፡ ኣብ ልዕሊ ኤዶምን ሞኣብን ኢዶም ከውድቑ እዮም፡ ደቂ ዓሞን ከኣ ክእዘዝዎም እዮም። 15እግዚኣብሄር ድማ ንልሳን ባሕሪ ግብጺ ኸንቅጾ እዩ፡ ብብርቱዕ ንፋሱ ኸኣ ንኢዱ ኣብ ልዕሊ እቲ ርባ ኸዋጣውጦ፡ ሾብዓተ ኽሳዕ ዝኸውን ድማ ነቲ ርባ ኽወቕዖ እዩ፡ ሳእኒ ኣእቲኻ ኸም ዝስገርውን ክገብሮ እዩ። 16ከምቲ ንእስራኤል በታ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዝወጹላ መዓልቲ ዝዀነሎም፡ ከምኡውን ነቲ ኻብ ኣሶር ተሪፉ ዘሎ ትራፍ ህዝቢ ጽርግያ ክኸውን እዩ።
ትን. ኢሳይያስ ምዕራፍ 12
1በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ክትብል ኢኻ፡ ጐይታየ፡ ተቘጢዕካኒ ነበርካ፡ ግናኸ ቁጥዓኻ ተመሊሱስ ኣጸናኒዕካኒ ኢኻ እሞ፡ ኤመስግነካ ኣሎኹ። 2እንሆ፡ ኣምላኽሲ ምድሓነይ እዩ፡ እእመን ኣይፈርህን ድማ እየ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሓይለይን መዝሙረይን እዩ እሞ፡ ንሱ ምድሓነይ ኰነ። 3ካብ ዔላታቱ ምድሓን ከኣ ብደስታ ማይ ክትቀድሑ ኢኹም።
4በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ክትብሉ ኢኹም፡ ንእግዚኣብሄር ኣመስግኑ፡ ንስሙ ጸውዑ፡ ግብሩ ኣብ ኣህዛብ ኣፍልጡ፡ ስሙ ልዑል ከም ዝዀነ ንገሩ። 5ግሩም ነገር ገይሩ እዩ እሞ፡ ንእግዚኣብሄር ዘምሩ፡ እዚ ኣብ ኲላ ምድሩ ይፈለጥ። 6ኣቲ ኣብ ጽዮን እትነብሪ፡ ናይ እስራኤል ቅዱስ ኣብ ማእከልኪ ዓብዪ እዩ እሞ፡ ተሓጐስን እልል በልን።
ትን. ኢሳይያስ ምዕራፍ 13
1ኢሳይያስ ወዲ ኣሞጽ ብዛዕባ በቢሎን ዝረኣዮ ጾር።
2ሰንደቕ ዕላማ ኣብ ነዊሕ ከረን ትኸሉ፡ ዓው ኢልኩም ኣድህዩሎም፡ ብደገ መሳፍንቲ ኽኣትው ኸኣ ብኢድ ኣመልክቱ። 3ነቶም እተቐደሱለይ ኣዚዘዮም፡ ንጀጋኖይ፡ ነቶም ብኽብረይ እልል ዝብሉ፡ ንምፍጻም ቁጥዓይ ጸዊዐዮም ኣሎኹ።
4ድምጺ ወኻዕታ ኸም ናይ ዓብዪ ህዝቢ ኣብ ኣኽራን ኣሎ። ድምጺ እቶም እኩባት መንግስትታት ኣህዛብ ንሰራዊት ክስለፉ ይእዝዞም ኣሎ። 5እግዚኣብሄርን ኣጽዋር ኲራኡን፡ ንዂላ ምድሪ ምእንቲ ኸጥፍኡስ፡ ካብ ርሑቕ ሃገር፡ ካብ ወሰን ሰማይ ይመጹ። 6መዓልቲ እግዚኣብሄር ቀሪባ ኣላ፡ ከም ጥፍኣት ኰይና ኻብቲ ዂሉ ዝኽእል ክትመጽእ እያ እሞ፡ ብኸዩ። 7ስለዚ ኢድ ዘበለ ዘርጋሕጋሕ ክብል፡ ኲሉ ልቢ ሰብ ክመክኽ እዩ። 8ክስምብዱ፡ ቃንዛን ሓዘንን ክሕዞም እዩ፡ ከም እትወልድ ሰበይቲ ከቕለልው፡ ተገሪሞም ነንሓድሕዶም ክጣማመቱ እዮም፡ ገጾም ከም ገጽ ሃልሃልታ እዩ።
9እንሃ፡ መዓልቲ እግዚኣብሄር ንምድሪ ኸተባድማ፡ ነቶም ኣብኣ ዝነብሩ ሓጥኣን ድማ ከተብርሶም፡ ብቑጥዓን ብርሱን ነድርን መሰክሒት ኰይና ትመጽእ ኣላ። 10ከዋኽብትን ብርሃኖም ኣይከብርሁን እዮም፡ ጸሓይ ክትበርቕ ከላ ኽትጽልምት እያ፡ ወርሒ ኸኣ ብርሃና ኣይከተብርህን እያ። 11ንዓለም ስለ ኽፍኣታ፡ ንረሲኣን ድማ ስለ ኣበሳኦም ክቐጽዖም እየ፡ ንድርቅና ትዕቢተኛታት ከኣ መወዳእታ ኽገብረሉ፡ ንዂርዓት እቶም ገፋዕቲውን ከዋርዶ እየ። 12ንሰብ ካብ ጽሩይ ወርቂ፡ አረ ኻብቲ ወርቂ ኦፊር ዝኸበረ ኽገብሮ እየ። 13ስለዚ ንሰማያት ከንቀጥቅጦ እየ፡ ምድሪ ኸኣ ብቑጥዓ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ ብመዓልቲ ርሱን ነድሪ ኻብ ስፍራኣ ኽትናወጽ እዩ። 14ክኸውን ከኣ እዩ፡ ከም እተሃድነት እራብን፡ ኣካቢ ኸም ዘይብሉ መጓሰን ኰይኖም፡ ነፍሲ ወከፍ ናብ ሀህዝቡ ኽምለስ፡ ነፍሲ ወከፍ ናብ ሃሃገሩ ኽሃድም እዩ። 15እተረኽበ ዘበለ ኽውጋእ፡ እተታሕዘ ዂሉ ኸኣ ብሴፍ ክወድቕ እዩ። 16ሕጻውንቶም ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ክጭፍለቑ እዮም፡ ኣባይቶም ክብዝበዝ እዩ፡ ኣንስቶም ድማ ክንውራ እየን። 17እንሆ፡ ነቶም ግዲ ብሩር ዘይብሎም፡ ንወርቂ ኸኣ ዘይብህግዎ ሜዶናውያን፡ ኣብ ልዕሊኦም ከተንስኦም እየ። 18መንትጎም ነጒባዝ ከውድቖም እዩ፡ ንፍረ ማሕጸን ኣይክምሕሩን እዮም፡ ኣዕንቶም ከኣ ንቘልዑ ኣይክድንግጻሎምን እየን። 19ባቢሎን፡ ጌጽ መንግስትታት፡ ናይ ከለዳውያን ዕቡይ ስልማት፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሶዶምን ጎሞራን ዘፍረሰን ክትከውን እያ። 20ሰብ ኣብኣ ንዘለኣለም ኣይክሰፍርን እዩ፡ ንውሉድ ወለዶ ኸኣ ማሕደር ሰብ ኣይክትከውንን እያ። ዓረብ ኣብኣ ድንኳን ኣይክተክልን እዩ፡ ጓሶት ድማ መጓሲኦም ኣይከስፍሩላን እዮም። 21ግናኸ ኣራዊት በረኻ ኣብኣ ኽሰፍሩ እዮም፡ ኣባይታ ጒንጓታት ክመልእ እዩ፡ ሰገን ኣብኣ ኽነብራ እየን፡ ኣጋንንቲውን ኣብኣ ኽሰራሰሩ እዮም። 22ኣኽላባት በረኻ ኣብ ኣደራሻታ፡ ወኻሩ ድማ ኣብቲ ጽቡቕ ግምብታታ ኽንቅው እዮም። ግዜኣ ቐሪቡ እዩ፡ መዓልትታታውን ኣይክድንጒያን እየን።
ትን. ኢሳይያስ ምዕራፍ 14
1እግዚኣብሄር ንያእቆብ ክምሕሮ እዩ እሞ፡ ከም ብሓድሽ ንእስራኤል ክሓርዮም፡ ኣብ ሃገሮም ድማ ከቑሞም እዩ። ማእከላይ ዓሌት ክጽምበርዎም፡ ኣብ ቤት ያእቆብውን ክለግቡ እዮም። 2እቶም ህዝብታት ሒዞም ናብ ቦታኦም ክወስድዎም እዮም፡ ቤት እስራኤል ድማ ግዙኣትን ኣግራድን ገይሮም ኣብቲ ምድሪ እግዚኣብሄር ገንዘቦም ክገብርዎም እዮም። ነቶም ማረኽቶም ክማርኹ፡ ነቶም ገፋዕቶም ድማ ክገዝኡ እዮም።
3ክኸውን ከኣ እዩ፡ እግዚኣብሄር ካብ ጻዕርኻን ካብ መከራኻን ካብቲ ኣብኡ ኣእትዮምኻ ዝነበሩ ጽኑዕ ባርነትን ምስ ዘዕርፈካ መዓልቲ፡ 4ሽዑ ኣብ ልዕሊ ንጉስ ባቢሎን ከምዚ ኢልካ ኽትምስል ኢኻ፡ ከመይ ኢሉ እቲ ጨቋኒ ተወዲኡ እረ እቲ ግፍዒኸ ኸመይ ኢሉ ተወዲኡ 5እግዚኣብሄር ንበትሪ ረሲኣን፡ ነቲ ዘንጊ ገዛእቲ፡ ሰበሮ። 6ነቲ ንህዝብታት ብቑጥዓ ኸየቛረጸ ዝወቕዖም፡ ነቲ ብዂራን ዓጋቲ ብዘይብሉ ምስጓጒን ነህዛብ ዝገዝኤ ዘንጊ ሰበሮ። 7ኲላ ምድሪ ዓሪፋ ሃዲኣ ኣላ፡ ሰብውን እልል ይብሉ ኣለው። 8ጽሕድታትን ኣእዋም ሊባኖስን እኳ፡ ንስኻ ኻብ እትወድቕ ጀሚሩ ክቘርጸና ዝደየበ የልቦን፡ እናበሉ ብዛዕባኻ ይሕጐሱ ኣለው። 9እቲ ታሕቲ ዘሎ ሲኦል ክትመጽእ ከሎኻ ኽቀባበለካ ኢሉ ብኣኻ የዕገርግር፡ ንድኔታትን ንዂሎም ስልጡናት ምድርን የበራብረልካ፡ ንዂሎም ነገስታት ኣህዛብ ካብ ዝፋውንቶም የተንስኦም። 10ኲላቶም ከኣ፡ ንስኻውንዶ ኸማና ሓሚቕካ ንስኻኸ ንኣናዶ መሲልካ ኢሎም ክመልሱልካ እዮም። 11ክብረትካን ቃና መሰንቆታትካን ናብ ሲኦል ወሪዱ፡ መንጸፍካ ሓሳኹ፡ መደረብታኻ ድማ ሓሳኹ እዮም።
12ኣየ፡ ኣታ ብሩህ ኮዀብ ወዲ ወጋሕታ፡ ከመይ ኢልካ ኻብ ሰማይ ወደቕካ፡ ንስኻ ነህዛብ ዘውደቕካስ፡ ከመይ ኢልካ ናብ ምድሪ ተደርቤኻ። 13ንስኻስ ብልብኻ፡ ናብ ሰማይ ክድይብ፡ ንዝፋነይ ኣብ ልዕሊ ኸዋኽብቲ ኣምላኽ ልዕል ከብሎ፡ ኣብ ወሰን ሰሜን ኣብ ልዕሊ ኸረን ማሕበር ክቕመጥ እየ። 14ኣብ ልዕሊ ርእሲ ደበናታት ክድይብ፡ ነቲ ኣዝዩ ልዑል ክመስል እየ፡ በልካ። 15ኣይፋልካን፡ ናብ ሲኦል፡ ናብቲ መዓሙቑ ጒድጓድ ደኣ ኽትድርበ ኢኻ። 16-17ዝርእዩኻ ይጥምቱኻን የስተብህሉልካን እሞ፡ እቲ ንምድሪ ዘንቀጥቅጣን ንመንግስትታት ራዕራዕ ዘብለንን፡ እቲ ንዓለም ዘባደማን ንኸተማታታ ዘፍረሰን ንምሩኻቱ ኸኣ ናብ ቤቶም ክምለሱ ዘይፈትሖም ሰብኣይዶ እዚ እዩ ይብሉ ኣለው። 18ኲሎም፡ ነገስታት ኣህዛብ፡ ብዘለው ዂሎም፡ ኣብ በቤቶም ብኽብሪ በጥ ኢሎም ኣለው፡ 19ንስኻ ግና በቶም ብሰይፊ እተወግኡን ናብ ናይ ጋህሲ ኣእማን ዝወረዱን ቅቱላት እተኸደንካ፡ ከም እተረግጸ ገምቢ፡ ከም ፍንፋን ጨንፈር ኴንካ፡ ርሑቕ ካብ መቓብርካ ተደርቤኻ። 20ንስኻ ንምድርኻ ኣጥፊእካያ፡ ንህዝብኻ ቐቲልካዮ ኢኻ እሞ፡ ኣብ መቓብር ምሳታቶም ኣይክትጽምበርን ኢኻ። ዘርኢ ገበርቲ እከይ ንዘለኣለም ኣይክስመን እዩ።
21ከይትንስኡ ንምድሪ ኸኣ ከይወርሱ፡ ንዝባን ዓለም ድማ ብኸተማታት ከይመልእዋ፡ ብሰሪ ሓጢኣት ኣቦታቶም ንውሉድ ማሕረዲ ኣዳልው። 22ኣነ ኽትንስኦም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ ስምን ትርፍን ወድን ወዲ ወድን ካብ ባቢሎን ከጽንት እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር። 23ማሕደር ቅንፍዝን ዓዘቕትን ክገብራ፡ ብመዀስተር ጥፍኣት ድማ ክዂስትራ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት። 24እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ኢሉ መሓለ፡ ብሓቂ ኸምቲ ዝሓሰብክዎ ክኸውን፡ ከምቲ ዝመደብክዎውን ክቐውም እዩ። 25ንኣሶር ኣብ ሃገረይ ክሰባብሮ፡ ኣብ ኣኽራነይ ድማ ኽረግጾ እየ፡ ሽዑ፡ ኣርዑቱ ኻባታቶም ክውሰድ፡ ጾሩውን ካብ መንኲቦም ክውሰድ እዩ። 26ኣብ ልዕሊ ዂላ ምድሪ ዝመደብክዎ ምኽሪ እዚ እዩ፡ ኣብ ልዕሊ ዂሎም ኣህዛብ እተዘርግሐት ኢድ እዚኣ እያ። 27እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት መዲብዎ እዩ እሞ፡ መን ከንቱ ይገብሮ ኢዱ ተዘርጊሓ ኣላ፡ መንከ ይመልሳ 28በታ ንጉስ ኣሃዝ ዝሞተላ ዓመት እዚ ጾር እዚ ዀነ፡
29ካብ ሱር ተመንሲ ኸይሲ ኽወጽእ እዩ፡ ፍሬኡ ኸኣ ዝነፍር ርሱን ተመን ክኸውን እዩ እሞ፡ ኣቲ ፍልስጥኤም ብዘሎኺ፡ እቲ ዝወቕዓኪ ሸቦጥ ስለ እተሰብረ ኣይትተሓጐሲ። 30በዂሪ እቶም ድኻታት ክጓስዩ፡ ሽጉራት ከኣ ሃዲኦም ክሰፍሩ እዮም። ንሱርኪ ግና ብጥሜት ክቐትሎ እየ፡ ትርፍኺ ድማ ክሕረድ እዩ። 31ትኪ ኻብ ሰሜን ይመጽእ፡ ካብ ሰራዊቱ ኸኣ ንበይኑ ዝተርፍ የልቦን እሞ፡ ኣታ ደገ፡ ዋይዋይ በል፡ ኣቲ ኸተማ፡ ኣእውዪ፡ ብዘሎኺ ፍልስጥኤም ከኣ፡ ምኸኺ። 32ንልኡኻት ህዝብኻ እንታይ ኢሎም ክመልሱሎም እዮም እግዚኣብሄር ንጽዮን ከም ዝሰረታ፡ እቶም ሽጉራት ህዝቡ ኸኣ ኣብኣ ጸግዒ ኸም ዝረኸቡ።
ትን. ኢሳይያስ ምዕራፍ 15
1ጾር ብዛዕባ ሞኣብ።
ኣየ፡ ኣር ሞኣብ ብሓንቲ ለይቲ ኽትዖኑን ክትጠፍእን እያ፡ ኣየ፡ ቂር ሞኣብ ብሓንቲ ለይቲ ኽትዖኑን ክትጠፍእን እያ። 2ናብ ባይትን ናብ ዲቦንን ክበኽያ ናብ በረኽቲ ይወጻ ኣለዋ፡ ሞኣብ ኣብ ልዕሊ ኔቦን ኣብ ልዕሊ ሜድባን ኰይና ዋይዋይ ትብል ኣላ፡ ኲሉ ርእሶም ነዃዕ፡ ኲሉ ጭሕሚ ኸኣ ቁሩጽ እዩ። 3ኣብ ኣደባባያ ኽዳን ሓዘን ይዕጠቑ፡ ኣብ ኣናሕሳን ኣብ ዕዳጋኣን ዋይዋይ እናበሉ ንብዓት የውሕዙ። 4ሄስቦንን ኤልዓለን የእውያ፡ ድምጸን ክሳዕ ያሓጽ ይስማዕ፡ ስለዚውን ናይ ማኣብ ተዋጋእቲ የእውዩ፡ ነፍሱ ኣብ ውሽጡ ተንቀጥቅጥ ኣላ። 5ልበይ ንሞኣብ ይበኽየላ ኣሎ፡ እቶም ህዱማታ ኽሳዕ ጾኣር፡ ናብ ኤግላት ሸሊሽያ ይሃድሙ፡ ንዓቐበት ሉሂት እናበኸዩ ይድይብዎ፡ ኣብቲ ናይ ሆሮናይም ዝወስድ መገዲውን ኣውያት ጥፍኣት ይተኽሉ ኣለው። 6ማያት ኒምሪም ነጺፉ እዩ እሞ፡ ሳዕሪ ነቐጸ፡ ለቕሚ ቐምሰለ፡ ለምዒ የልቦን። 7ስለዚ ነቲ ዘትረፍዎን ነቲ ዝዓቘርዎን ብርባ ዕቦል ከሳግርዎ እዮም። 8ንዶባት ሞኣብ ኣውያት ከበቦ፡ ብኽያታ ኽሳዕ ኤግላይም፡ ብኽያታውን ክሳዕ ብኤር ኤሊም በጽሐ። 9ማያት ዲሞንሲ ደም መሊኡ ኣሎ፡ ኣብ ዲሞን ዝገደደ ኽውስኽ እየ እሞ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ዘምለጡ ሰብ ሞኣብን ኣብ ልዕሊ ተረፍ እቲ ሃገርን ኣንበሳ ኽሰድድ እየ።
ትን. ኢሳይያስ ምዕራፍ 16
1ገናሽል ናብቲ ገዛእ ሃገር ካብ ሴላ ብበረኻ ኣቢልኩም ናብ ከረን ጓል ጽዮን ስደዱ። 2ከም ዝሃድማ ኣዕዋፍ፡ ከም ካብ ቤተን እተሰጓ ወለሊድ ዑፍ፡ ኣዋልድ ሞኣብ ኣብ መሳገሪ ኣርኖን ከምኡ ክዀና እየን። 3ምኽሪ ምኽሪ፡ ፍርዲ ፍርዲ፡ ቀትሪ ኸሎ ንጽላሎትኪ ኸም ለይቲ ግበርዮ፡ ንስጉጓት ሕብኢ፡ ንህዱማት ኣይትግለጺ። 4እቲ ጠዋዪ ጠፊኡ፡ ምዝማት ከኣ ተወዲኡ፡ ጨቈንቲ ሃገርውን ህልም ኢሎም እዮም እሞ፡ ዎ ሞኣብ፡ ንሰጉጓተይ ምሳኺ ኣስፍርዮም፡ ካብ ቅድሚ እቲ ዘማቲ ኸውሊ ዂንዮ። 5ዝፋን ብምሕረት ክትከል፡ ኣብኡውን ዝፈርድን ቅንዕና ዝደልን ጽድቂ ንምግባር ዝፈጥንን ብሓቂ ኣብ ድንኳን ዳዊት ክቕመጥ እዩ።
6ብዛዕባ ትዕቢት ሞኣብ፡ እዛ ኣዝያ ዕብይቲ፡ ብናይ ኲርዓታ፡ ምብርጣጣ፡ ቁጥዓኣ፡ ከንቱ ዝዀነ ጃህርኣ ሰማዕና። 7ስለዚ ሞኣብ ንሞኣብ ዋይዋይ ክትብለላ እያ፡ ኲላቶም ዋይዋይ ክብሉ እዮም፡ ብዛዕባ ናይ ቂር ሓሬሴት ጎጎ ዘቢብ ኣስቈርቁርኩም ክትበኽዩ ኢኹም። 8ግርሁ ሄስቦንን ኣትክልቲ ወይኒ ሲብማን ጸምልዩ ኣሎ። እተን ክቡራት ተኽልታታ ጨናፍረን ኣስፋሕፊሑ፡ ክሳዕ ያዕዜር በጺሑ፡ ኣብ በረኻ ወፊሩ፡ ባሕሪ ተሳጊሩ ዝነበረስ፡ እቶም ጐይተት ኣህዛብ ሰበርወን። 9ስለዚ ንተኽሊ ወይኒ ሲብማ ብኽያት ያዕዜር እበኽየሉ ኣሎኹ፡ ኣብ ፍረ ሓጋይኪ፡ ኣብ ቀውዕኺ ናይ ውግእ ጭድርታ ወዲቑ እዩ እሞ፡ ዎ ሄስቦን፡ ንኣኺውን እልዓለ፡ ብንብዓተይ እተርክሰኪ ኣሎኹ። 10ሓጐስን ተድላን ካብቲ ፈራዪ ግርሁ ተወሲዱ፡ ኣብ ኣታኽልትታት ወይኒ ኸኣ ደርፍን እልልታን የልቦን፡ ኣብ መሓምተሊ ሓደ እኳ ወይኒ ዝረግጽ ረጋጺ የልቦን። ንጭድርታ ሓጐስሲ መወዳእታ ገይረሉ እየ። 11ስለዚ ኣምዑተይ ብናይ ሞኣብ፡ ውሽጠይውን ብዛዕባ ቂር ሄሬስ ከም መሰንቆ ይቑዝም ኣሎ። 12ክኸውን ከኣ እዩ፡ ሞኣብ ኣብቲ በሪኽ መጺኡ እንተ ጸዓረ፡ ኣብ መቕደሱ ኽጽሊ እንተ ኣተወ፡ ገለ እኳ ዘስልጦ የብሉን።
13እግዚኣብሄር ብናይ ሞኣብ ቀደም እተዛረቦ ቓል እዚ እዩ። 14ሕጂ ኸኣ እግዚኣብሄር፡ ከም ቁጽሪ ዓመት ዓስቢ ዓሳብ፡ ብሰለስተ ዓመት ክብሪ ሞኣብ ምስናይ ብዝሒ ህዝቡ ኽዋረድ እዩ፡ እቲ ዝተረፈውን ኣዝዩ ሒደትን ጥቑዕን ክኸውን እዩ፡ ኢሉ ተዛረበ።
ትን. ኢሳይያስ ምዕራፍ 17
1ጾር ብዛዕባ ደማስቆ። እንሆ፡ ደማስቆ ከተማ ኻብ ምዃን ክትተርፍ፡ ዖና ዃና ኽትከውን እዩ። 2ከተማታት ኣሮኤር ተሓዲጉ፡ ብዘይ ፍርሃት ዝነብራሉ፡ መውፈር መጓሴታት ክኸውን እዩ። 3እምባ ኻብ ኤፍሬም፡ መንግስቲ ኸኣ ካብ ደማስቆ፡ ትርፊ ሶርያውን ክጠፍእ እዩ። ከም ክብሪ ደቂ እስራኤል ክዀኑ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት። 4በታ መዓልቲ እቲኣ ክኸውን እዩ፡ ክብሪ ያእቆብ ክውሕድ፡ ህጥራን ስጋኡውን ክዓብር እዩ። 5ከምቲ ዓጻዳይ ነቲ ደው ኢሉ ዘሎ እኽሊ ዝጭምርሮ፡ ብቕልጽሙ ኸኣ ነቲ ወረን ዝዓጽዶ ክኸውን እዩ፡ ከምቲ ኣብ ለሰ ረፋይም ንወረን ዝቕርምዎ ድማ ክኸውን እዩ። 6ግናኸ ከምቲ ኣውልዕ ምስ ተነዝነዘ፡ ኣብ ጫፍ እቲ ላዕላይ ጨናፍሩ ኽልተ ወይስ ሰለስተ ፍረ፡ ኣብቲ ጨናፍር ፍርያም ኦም ከኣ ኣርባዕተ ወይስ ሓሙሽተ ኸም ዝተርፍ፡ ኣብኡ ሒደት ቀሪም ክተርፍ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል። 7በታ መዓልቲ እቲኣ ሰብ ናብ ፈጣሪኡ ግልጽ ክብል፡ ኣዒንቱ ኸኣ ናብቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ክርእያ እየን። 8ናብቲ ብኢዱ ዝሰርሖ መሰውኢ ግልጽ ኣይክብልን፡ ናብቲ ኣጻብዑ ዝገበራኦ ኣስታርቴታት ወይስ ናብ ሓወልቲ ጸሓይ ኣይክጥምትን እዩ። 9በታ መዓልቲ እቲኣ እተን ጽኑዓት ከተማታቱ፡ ከምቲ ብምኽንያት ደቂ እስራኤል እተሓድገ ቦታታት፡ ዱርን ርእሲ ኣኽራንን ክዀና እየን፡ ክባድማ ድማ እየን። 10ንኣምላኽ ምድሓንኪ ስለ ዝረሳዕኪ፡ ንኸውሒ ሓይልኺውን ስለ ዘይዘከርኪ፡ ስለዚ ባህ ዘብል ኣትክልቲ ትተኽሊ፡ ጋሻ ዝዀነ ሓረግ ወይኒውን ተፍልሲ ኣሎኺ። 11በታ ዝተኸልክላ መዓልቲ ትሓጽርዮ፡ ኣንጊህኪ ኸኣ ንዘርእኺ ተዓንብብዮ፡ ግናኸ ቀውዒ ብመዓልቲ መዓትን መሪር ስቓይን ይመልቑ።
12ኣየ፡ ህማም ብዙሕ ህዝብታት፡ ከም ህማም ባሕሪ ይሃምም ኣሎ፡ ኣህዛብ ከም ድዋሕዋሕ ብርቱዕ ማያት ድዋሕዋሕ ይብሉ ኣለው። 13ኣህዛብ ከም ድዋሕዋሕ ብዙሕ ማያት ድዋሕዋሕ ይብሉ ኣለው፡ ግናኸ ንሱ ይገንሖም፡ ኣርሒቖም ከኣ ይሃድሙ። ከም ብቑቡቑ ኣኽራን ኣብ ቅድሚ ንፋስ፡ ከም ሓሰር ኣብ ቅድሚ ህቦብላ ይብተኑ። 14ኣጋ ምሸት እንሆ፡ ስምባድ ይመጽእ፡ ምድሪ ኸይወግሐ ኸኣ የለውን። ግደ እቶም ዝማረኹና፡ ብጽሒት እቶም ዝዘመቱና እዚ እዩ።
ትን. ኢሳይያስ ምዕራፍ 18
1ኣየ፡ ኣታ ኣብ ክንየው ርባታት ኢትዮጵያ ዘሎኻ፡ ሃገር እቶም ጅጅ ዝብሉ ኣኽናፍ። 2ኣታ በተን ኣብ ልዕሊ ማያት ዝሰፋ መርከብ ሰልሰላ ጌርካ፡ ብባሕሪ ልኡኻት እትልእኽ ሃገር፡ ኣቱም ፈጣናት ልኡኻት ናብቲ ነዊሕ ዝቑመቱ ልሙጽ ህዝቢ፡ ናብቲ ኻብ መጀመርታ እተፈርሀ ህዝቢ፡ ዝኽፋፍልን ዝረግጽን፡ ሃገሩውን ብርባታት እተመቓቐለ ህዝቢ ኺዱ። 3ኣቱም ኣብ ዓለም እትነብሩ፡ ኣብ ምድሪ ሰፊርኩም ዘሎኹም ኲላትኩምውን፡ ሰንደቕ ዕላማ ኣብ ኣኽራን ልዕል ምስ በለ፡ ተመልከቱ፡ መለኸት ምስ ዝንፋሕ፡ ጽን በሉ።
4እግዚኣብሄር ከምዚ በለኒ፡ ከም ዳህሪ እቲ ዘንጸባርቕ ጸሓይ፡ ከም ደበና ኣውሊ ኣብ ረስኒ ቐውዒ፡ ሃዲእ ኣብቲ ዝነብረሉ ስፍራይ ኰይነ ኽጥምት እየ። 5ቅድሚ ቐውዒ፡ ግዜ ምዕምባብ ምስ ሓለፈ፡ ዕምባባ ኸኣ ኣብ ምብሳል ዘለላ ኣቢሉ ምስ ከደ፡ ንሓረግ ብኻራ ኣታኽልቲ ወይኒ ገይሩ ክቘርጾ፡ ነቲ ጫሌዳ ሱር ድማ ከርሕቖን ክቘርጾን እዩ። 6ኲላቶም ሓቢሮም ኣደዳ ኣሞራን ኣኽራንን ኣራዊት መሮርን ክዀኑ እዮም፡ ኣሞራታት ከኣ ኣብኦም ክሓግዩ፡ ኲላቶም ኣራዊት መሮር ድማ ኣብኦም ክኸርሙ እዮም።
7በቲ ግዜ እቲ ንእግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ካብቲ ነዊሕ ዝቑመቱ ልሙጽ ህዝቢ፡ ካብቲ ኻብ መጀመርታ እተፈርሀ ህዝቢ፡ ካብቲ ዝኸፋፍልን ዝረግጽን፡ ሃገሩውን ብርባታት እተመቓቐለ ህዝቢ፡ ናብታ ስም እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ዘለዋ ቦታ፡ ናብ ከረን ጽዮን ገጽ በረኸት ክቕረብ እዩ።
ትን. ኢሳይያስ ምዕራፍ 19
1ጾር ብዛዕባ ግብጺ።
እንሆ፡ እግዚኣብሄር ብቕልጡፍ ደበና ይወጽእ፡ ናብ ግብጺውን ይመጽእ፡ ጣኦታት ግብጺ ኣብ ቅድሚኡ ራዕራዕ ክብሉ እዮም፡ ልቢ ግብጺ ኸኣ ኣብ ውሽጣ ኽመክኽ እዩ። 2ንግብጻውያን ኣብ ግብጻውያን ከተንስኦም እየ፡ ነፍሲ ወከፍ ምስ ሓው፡ ነፍሲ ወከፍ ምስ ብጻዩ፡ ከተማ ምስ ከተማ፡ መንግስቲ ምስ መንግስቲ ኽዋጋእ እዩ። 3መንፈስ ግብጺ ኣብ ውሽጡ ጥራዩ ክኸውን እዩ፡ ንምኽሩ ድማ ከንቱ ኽገብሮ እየ፡ ንሳቶም ከኣ ንጣኦታትን ነስማተኛታትን ንጠንቈልትን ንመውደቕቲ ዛዕጐልን ክሓቱ እዮም። 4ንግብጻውያን ናብ ኢድ ደረቕ ጐይታ ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ፡ ጨካን ንጉስ ድማ ክገዝኦም እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት። 5ማያት ካብ ባሕሪ ኽጠፍእ፡ ርባውን ነጺፉ ኽነቕጽ እዩ። 6ርባታት ክጽይእ፡ መሳኑ ግብጺ ኽውሕድን ክደርቕን እዩ፡ ሰልሰላን ጋሳን ክጽምልው እዮም። 7ሸኻታት ኒል፡ ገምገመ ገምገም ኒል ዘሎን፡ ኣብ ጥቓ ኒል ዝዝራእ ዘበለን ክሃጒጒ፡ ክጠፍእ ኣይክርከብን ድማ እዩ። 8ገፈፍቲ ዓሳ ኸስቈርቁሩ፡ እቶም ኣብ ኒል መቑለብ ዝድርብዩ ዂሎም ክሓዝኑ፡ እቶም መርበብ ኣብ ልዕሊ ማያት ዝዝርግሑ ድማ ሕሊናኦም ክዓርብ እዩ። 9እቶም ዓየይቲ እተባዘተ ቓንጫ እንጣጢዕን እቶም ኣለምቲ ጻዕዳ ኽዳውንትን ክሓፍሩ እዮም። 10ኣዕኑዳ ኽስበሩ፡ እቶም ብዓስቢ ዝዓዩ ዂሎምውን ክጒህዩ እዮም። 11መሳፍንቲ ጾኣን ኣዝዮም ዓሸው፡ ምኽሪ እቶም ጥበበኛታት መኸርቲ ፈርኦንሲ ዕሽነት ኰነ። ከመይ ኢልኩም ደኣ ንፈርኦን፡ ኣነ ወዲ ጥበበኛታት፡ ወዲ እቶም ናይ ቀደም ነገስታት እየ፡ እትብልዎ 12እቶም ጥበበኛታትካ ደኣ ኣበይ ኣለው እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ብናይ ግብጺ ዝመደቦ እንታይ ከም ዝዀነ ይፍለጡ እሞ እስከ ይንገሩኻ። 13መሳፍንቲ ጾኣን ዓሽዮም፡ መሳፍንቲ ኖፍ ተጠቢሮም፡ ንግብጺ እቶም እምኒ መኣዝን ዓሌታታ ኣጋገይዋ። 14እግዚኣብሄር መንፈስ ዝርግርግ ኲዕዩላ፡ ስኹር ኣብ ትፋኡ ሰንከልከል ከም ዝብል፡ ንግብጺ ኣብ ኲሉ ተግባራ ኣጋገይዋ። 15ዝዀነ ዕዮ፡ ርእሲ ወይስ ጭራ፡ ስየ ወይስ ሰቲ ዝገብሮ፡ ንግብጺ ኣይክጠቕማን እዩ።
16በታ መዓልቲ እቲኣ ግብጺ ኸም ኣንስቲ ኽትከውን እያ፡ ብምውጥዋጥ እታ እተወጣውጠላ ኢድ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ራዕራዕ ክትብልን ክትስምብድን እዩ። 17ሃገር ይሁዳ ኸኣ ንግብጺ መሰክሒ ኽትኰና እያ። ነፍሲ ወከፍ ንእኣ ዘዘክርዎ ኸኣ ብምኽንያት እቲ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ኣብ ልዕሊኣ መዲብዎ ዘሎ ምኽሪ ኽሽበር እዩ።
18በታ መዓልቲ እቲኣ ቛንቋ ኸንኣን ዝዛረባ፡ ብእግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከኣ ዝምሕላ ሓሙሽተ ኸተማ ኣብ ሃገር ግብጺ ኽርከባ እየን፡ ሓንቲአን ኢር-ሄሬስ ክትበሃል እያ።
19በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ማእከል ሃገር ግብጺ መሰውኢ ንእግዚኣብሄር፡ ኣብ ወሰና ኸኣ ዓንዲ ንእግዚኣብሄር ክትከል እዩ። 20እዚ ኸኣ ንእግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ኣብ ሃገር ግብጺ ምልክትን ምስክርን ክኸውን እዩ። ብምኽንያት እቶም ጨቈንቶም ናብ እግዚኣብሄር ክጠርዑ እዮም እሞ፡ ንሱውን መድሓንን ተኻላኻልን ክሰደሎምን ከናግፎምን እዩ። 21እግዚኣብሄር ርእሱ ንግብጺ ኽገልጸላ እዩ፡ ግብጻውያን ከኣ በታ መዓልቲ እቲኣ ንእግዚኣብሄር ክፈልጥዎ እዮም፡ ብመስዋእቲ ሕሩድን ብመስዋእቲ ብልዕን ከገልግልዎ፡ ንእግዚኣብሄር ብመብጽዓ ኽማባጽዑሉ ኽፍጽምዎ ኸኣ እዮም። 22እግዚኣብሄር ንግብጺ ኽወቕዓ፡ ክወቕዓ እሞ ክፍውሳ እዩ። ንሳቶም ከኣ ናብ እግዚኣብሄር ክምለሱ እዮም፡ ንሱ ኽልመነሎምን ክፍውሶምን እዩ።
23በታ መዓልቲ እቲኣ ጽርግያ ካብ ግብጺ ናብ ኣሶር ክትከውን እያ፡ ኣሶራውያን ናብ ግብጺ፡ ግብጻውያን ከኣ ናብ ኣሶር ክመጹ እዮም። ግብጻውያን ድማ ምስ ኣሶራውያን ከምልኹ እዮም።
24በታ መዓልቲ እቲኣ እስራኤል ንግብጺን ንኣሶርን ሳልሳዮም፡ ኣብ ማእከል ምድሪ ድማ በረኸት ክኸውን እዩ። 25እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከኣ፡ ግብጺ ህዝበይን ኣሶር ግብሪ ኢደይን እስራኤል ርስተይን ብሩኻት ኩኑ፡ ኢሉ ኽባርኾም እዩ።
ትን. ኢሳይያስ ምዕራፍ 20
1በታ ታርታን ናይ ኣሽዶድ ዝመጻላ ዓመት፡ ሳርጎን ንጉስ ኣሶር ምስ ለኣኾ እሞ ንኣሽዶድ ተዋጊኡ ምስ ሓዛ፡ 2በቲ ግዜ እቲ እግዚኣብሄር፡ ብኢሳይያስ ወዲ ኣሞጽ ገይሩ፡ ኪድ እሞ ነቲ ማቕ ካብ ሕቜኻ ፍትሓዮ፡ ኣሳእንካ ድማ ካብ ኣእጋርካ ኣውጽእ፡ ኢሉ ተዛረቦ። ንሱውን ከምኡ ገበረ እሞ ጥራይ ዝባኑን ጥራይ እግሩን ከደ። 3እግዚኣብሄር ድማ በለ፡ ከምቲ ኢሳይያስ ባርያይ ኣብ ልዕሊ ግብጺን ኢትዮጵያን ምልክትን ትእምርትን ክኸውንሲ፡ ሰለስተ ዓመት ጥራይ ዝባንን ጥራይ እግርን ዝኸደ፡ 4ከምኡ ንጉስ ኣሶር ንእሱራት ግብጺን ንምሩኻት ኢትዮጵያን፡ ናእሽቱን ኣረገውትን፡ ጥራይ ዝባኖምን ጥራይ እግሮምን፡ ስጋኦም ተቐሊዑ ንነውሪ ግብጺ ኽወስዶም እዩ። 5ንሳቶም ከኣ ብምኽንያት ኢትዮጵያ፡ እቲ ተስፋኦም፡ ብምኽንያት ግብጺ፡ እቲ ኽብረቶም፡ ክስምብዱን ክሓፍሩን እዮም። 6በታ መዓልቲ እቲኣ እቶም ኣብ ጥቓ ባሕሪ ዝነብሩ፡ እንሆ፡ ትጽቢትና፡ እቲ ኻብ ንጉስ ኣሶር ከናግፈናስ ረዲኤት ደሊና ናብኡ ዝሃደምና እዚ እዩ፡ ንሕና ደኣ ኸመይ ጌርና ኽነምልጥ ኢና ክብሉ እዮም።
ትን. ኢሳይያስ ምዕራፍ 21
1ጾር ብዛዕባ በረኻ ባሕሪ።
ከምቲ ህቦብላ ንፋስ ካብ ደቡብ ዝለዓል፡ ከምኡ ኸኣ በረኻ፡ ካብቲ ዝፍራህ ሃገር ይመጽእ። 2መሰክሕ ዝዀነ ራእይ ተገልጸለይ፡ ዓማጻይ ይዕምጽ፡ ማራኻይ ይማርኽ ኣሎ። ኣቲ ኤላም፡ ደይቢ፡ ዎ ማዳይ፡ ክበቢ፡ ንምስቁርቋር ዘበለ ዂሉ መወዳእታ ኽገብረሉ እየ። 3ስለዚ ሕቘይ ቃንዛ መሊእዎ፡ ከምታ ብጻዕሪ እትወልድ ሰበይቲ ኸኣ ጻዕሪ ሒዙኒ፡ ብሰሪ ምዕሉባጥ ምስማዕ ስኢነ፡ ምርኣይ ክሳዕ ዝስእን ድማ ሰምቢደ ኣሎኹ። 4ልበይ ተመሊሑ፡ ረዓድ ሒዙኒ፡ እቲ ዝብህጎ ዘሎኹ ጽልግልግ ናብ ምንቅጥቃጥ ተለዊጡኒ። 5መኣዲ ይዳሎ፡ ሓለውቲ ይሕልው፡ ይብላዕ፡ ይስተ ኣሎ፡ ኣቱም መሳፍንቲ፡ ተንስኡ ዋልታ ልኸዩ።
6እግዚኣብሄርሲ፡ ኪድ እሞ ሓላዊ ግበር፡ እቲ ዝረኣዮውን ይንገር፡ በለኒ። 7ንሱ ኸኣ ጭፍራ ፈረሰኛታት በብኽልተ፡ ጭፍራ ኣእዱግ፡ ጭፍራ ኣግማል ረኣየ፡ ኣጸቢቑ ጽን በለ፡ ተጠንቂቑ ጽን በለ። 8-9ንሱ ኸኣ፡ ጐይታየ፡ መዓልቲ ብመልኣ ኸየቛረጽኩ ኣብታ ግምቢ ምሕላው ደው ኢለ፡ ለይተ ለይቲውን ኣብታ መሓለዊተይ ተተኺለ ኣሎኹ፡ እንሆ ኸኣ ጭፍራ ሰብ ፈረሰኛታት፡ በብኽልተ ይመጹ ኣለው፡ ኢሉ ኸም ኣንበሳ ጨደረ። ከም ብሓድሽ ድማ፡ በቢሎንሲ ወዲቓ፡ ወዲቓ፡ ኲሉ ምስልታት ጣኦታት ኣብ ምድሪ ተሰባበረ፡ ኢሊ መለሰ። 10ኣታ እተኼድካ ወዲ ዓውደይ፡ ካብ እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ ዝሰማዕክዎ ነጊረካ እኔኹ።
11ጾር ብዛዕባ ዱማ።
ካብ ሰዒር፡ ኣታ ሓላዊ፡ ለይቲ እንታይ ግዜኡ ዀይኑ ኢሉ የድህየኒ ኣሎ። 12እቲ ሓላዊ ኸኣ፡ ወግሐ መሰየውን፡ ክትሓቱ እንተ ደሌኹም ሕተቱ፡ መሊስኩም ከኣ ምጹ፡ በለ።
13ጾር ብዛዕባ ዓረብ።
ኣቱም ቃፍላይ ዴዳን፡ ኣብ ዱር ዓረብ ክትሓድሩ ኢኹም። 14-15ካብ ኣስያፍ፡ ካብ ምሉሕ ሰይፊ፡ ካብቲ እተገተረ ቐስቲ፡ ካብ ብርቱዕ ውግእ ሃዲሞም እዮም እሞ፡ ኣቱም ሰብ ቴማ፡ ንጽሙእስ ማይ ኣምጽኡሉ፡ ንህዱማትውን እንጌራ ሒዝኩም ተቐበልዎም። 16እግዚኣብሄር ከምዚ ኢሉኒ እዩ እሞ፡ ብዓመት ከምቲ ዓመታት ብዓል ዓስቢ፡ ኲሉ ኽብሪ ቄዳር ክጠፍእ እዩ፡ 17እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል እዚ ተዛሪቡ እዩ እሞ፡ ካብ ቁጽሪ መንትግ እቶም ጀጋኑ ደቂ ቄዳር ዝተርፍ ሒደት እዩ።
ትን. ኢሳይያስ ምዕራፍ 22
1ጾር ብዛዕባ ሽንጭሮ ራእይ። ኲሉ ሰብኪ ናብ ናሕሲ ዝድይብሲ እንታይ ረኺቡኪ እዩ 2ኣቲ ታዕታዕን ዕግርግርን ዝመልኣኪ ኸተማ፡ ኣቲ ሕጒስቲ ኸተማ፡ እቶም ቅቱላትኪ ብሰይፊ ኣይተቐትሉን፡ ኣብ ውግእ ከኣ ኣይሞቱን። 3ኲሎም መኳንንትኺ ሓቢሮም ሃደሙ፡ ብዘይ መንትግ ተኣሰሩ፡ ኣባኺ እተረኽቡ ዘበሉ ዂሎም፡ ኣርሒቖም እኳ እንተ ሃደሙ፡ ሓቢሮም ተኣስሩ። 4ስለዚ ኣምሪረ ኽበክስ ቁሊሕ ኣይትበሉኒ፡ ብጥፍኣት ጓል ህዝበይ ንምጽንናዕ ኣይትነዝንዙኒ፡ በልኩ። 5መዓልቲ ዕግርግርን ረግጽን ተጓእ ምባልን ካብ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ ኣብ ሽንጭሮ ራእያት ኰይኑ እዩ እሞ፡ ቀጽርታት ይፈርስ፡ ኣውያት ድማ ክሳዕ ኣኽራን ይበጽሕ ኣሎ። 6ኤላም ጒልድባ ጾረት፡ ምስ ሰብ ሰረገላን ፈረሰኛታትን ወጸት፡ ቂር ዋልታ ቐልዐት። 7እቲ ጸጽቡቕ ለሴታትኪ ብሰረገላታት መልአ፡ ፈረሰኛታት ከኣ ኣብ ኣፍ ደገ ተሰለፉ። 8ጒልባብ ይሁዳ ተቐልዐ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ናብ ኣጽዋር፡ ናብ ቤት ዱር ቁሊሕ በልኪ። 9እቲ ፍሩስ ኣብ ከተማ ዳዊት ምብዝሑ ርኤኹም፡ ነቲ ማይ ከኣ ኣብቲ ታሕታይ ሓጽቢ ኣከብኩም፡ 10ነባይቲ ኸተጽንዑ ኸኣ፡ ነቲ ኣባይቲ ኣፍረስኩምዎ። 11ኣብ መንጎ እቲ ኽልተ ቐጽሪ ድማ ንማይ እቲ ናይ ቀደም ሓጽቢስ መኣከብ ማይ ገበርኩም፡ ግናኸ ናብቲ ነዚ ዝገበረ ኣይጠመትኩምን፡ ናብቲ ኻብ ጥንቲ ዘዳለዎ ኣይርኤኹምን። 12በታ መዓልቲ እቲኣ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ንብኽያት ንዋይዋይን ንምልጻይ ርእስን ከሊ ንምዕጣቕን ጸውዓኩም። 13እንሆ ኸኣ ታሕጓስን ደስታን ምሕራድ ኣብዑርን ምጥባሕ ኣባጊዕን ምብላዕ ስጋን ምስታይ ወይንን ኰነ፡ ጽባሕ ክንመውት ኢና እሞ ንብላዕን ንስተን፡ ትብሉ ኣሎኹም። 14እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከኣ ኣብ እዝነይ ነገረኒ፡ እዚ ዓመጻ እዚ ኽሳዕ እትሞቱ ኣይሕደገልኩምን፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።
15እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ በለ፡ ናብ ሸብና፡ እቲ ኣዛዝ ቤት ኰይኑ ዘሎ ዓቃብ ቤት፡ ኪድ እሞ ንገሮ፡ 16ኣብዚ እንታይ ትገብር ኣሎኻ መቓብር ኣብዚ እትወቅር፡ ኣታ መቓብርካ ኣብ ላዕሊ እትወቅር፡ ስፍራ ንርእስኻ ኣብ ከውሒ እትዂዕትሲ፡ ኣብዚ መን ኣሎካ 17እንሆ፡ እግዚኣብሄር ብሓያል ቅልጽም ኣርሒቑ ኽውርውረካ፡ ኣጸቢቑ ድማ ክዕዂልለካ እዩ፡ 18ጠቕሊሉ የንከባልለካ፡ ከም ኲዕሶ ድማ ናብ ሰፊሕ ሃገር ክድርብየካ እዩ፡ ኣታ ነውሪ ቤት ጐይታኻ፡ ኣብኡ ኽትመውት ኢኻ፡ እተን ሰረገላታት ክብርኻ ድማ ኣብኡ ክዀና እየን። 19ካብ ስፍራኻ ክሰጐካ እየ፡ ካብ ሽመትካ ድማ ክስዕረካ እዩ።
20በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ክኸውን እዩ፡ ንባርያይ ኤልያቂም ወዲ ህልቅያ ኽጽውዖ እየ፡ 21ቀሚስካ ኸልብሶ፡ ማዕጥቖኻ ኸዕጥቖ፡ ስልጣንካ ናብ ኢዱ ኣሕሊፈ ኽህቦ እየ፡ ንሱውን ነቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነብሩን ንቤት ይሁዳን ኣቦ ክኸውን እዩ። 22መኽፈቻ ቤት ዳዊት ድማ ኣብ መንኲቡ ኸንብር እየ፡ ንሱ ይኸፍት፡ ሓደ ዝዓጹ ኸኣ የልቦን፡ ንሱ ይዓጹ፡ ሓደ ዝኸፍት ድማ የልቦን። 23ከም ሽንካር ኣብ ድልዱል ስፍራ ኽተኽሎ እየ፡ ንቤት ኣቦኡውን ዝፋን ክብሪ ክኸውን እዩ። 24ክብሪ ቤት ኣቦኡ ዂሉ፡ ውሉድን ውሉድ ውሉድን፡ ኲሉ ናእሽቱ ኣቓሑ፡ ካብ ዋንጫ ኽሳዕ ዝንግሪር ኣብኡ ኽስቀል እዩ። 25እግዚኣብሄር ተዛሪቡ እዩ እሞ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ እቲ ኣብ ድልዱል ስፍራ ተተኺሉ ዝነበረ ሽንካር ክመልቑን ክቑረጽን ክወድቕን፡እቲ ኣብኡ ተሰቒሉ ዝነበረ ጾር ከኣ ክቕረጽ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።
ትን. ኢሳይያስ ምዕራፍ 23
1ጾር ብዛዕባ ጢሮስ።
ዖንያ እያ፡ ቤት የልቦን፡ ምእታው የልቦን እሞ፡ ኣትን መራኽብ ተርሲስ፡ ዋይዋይ በላ። ካብ ምድሪ ኪቲም ተገልጸሎም። 2ኣቱም ኣብ ደሴት እትነብሩ፡ ስቕ በሉ፡ እቶም ብባሕሪ ዝሳገሩ ነጋዶ ሲዶን መልኡኺ። 3እኽሊ ሲሆርን ቀውዒ ኒልን፡ ብብዙሕ ማያት ሰጊሩ እቶታ ነበረ፡ ንሳውን ዕዳጋ ኣህዛብ ነበረት። 4ባሕሪ፡ እቲ ናይ ባሕሪ ዕርዲ፡ ቅልውላው ኣይሓዘንን ኣይወለድኩን ከኣ፡ ኣጒባዝ ኣየዕቤኹን፡ ደናግል ድማ ኣየዕቤኹን፡ ኢሉ ተዛሪቡ እዩ እሞ፡ ኣቲ ሲዶን፡ ሕፈሪ። 5እዚ ወረ እዚ ናብ ግብጺ ምስ ዝበጽሕ፡ በቲ ወረ ጢሮስ ራዕራዕ ክብሉ እዮም። 6ኣቱም ኣብ ደሴት እትነብሩ፡ ናብ ተርሲስ ተሳገሩ እሞ ዋይዋይ በሉ። 7እታ ኻብ ጥንቲ ዝጀመረት፡ ኣእጋራውን ናብ ርሑቕ ሃገር፡ ኣብኡ ኽትነብር ዝወስዳ ሕጒስቲ ኸተማኹምሲ እዚኣ ድያ 8ነታ ዘውድታት እትዕድል ዝነበረት፡ መሳፍንቲ ዝነጋዶኣ፡ ምርኡያት ምድሪ ዝሸቃጦኣ ጢሮስሲ፡ መን እዩ እዚ ምኽሪ እዚ ኣብ ልዕሌኣ ዝመኸረላ 9ንትዕቢት ክብሪ ዘበለ ኸሕስር፡ ንዂሎም ምርኡያት ምድሪ ምእንቲ ኸዋርድ ኢሉ፡ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት እዩ ዝመኸሮ። 10ኣቲ ጓል ተርሲስ፡ ከም ኒል ኴንኪ ኣብ ሃገርኪ ኣሳፍሒ፡ ደጊምሲ ማዕጥቖ የብልክን። 11ኢዱ ኣብ ልዕሊ ባሕሪ ዘርጊሑ፡ ንመንግስትታት ራዕራዕ ኣበሎም፡ እግዚኣብሄር ብዛዕባ ኸነኣን ዕርድታታ ኽፈርስ ኣዘዘ። 12በለ ድማ፡ ኣቲ እተዓመጽኪ ድንግል ጓል ሲዶን፡ ደጊምሲ ኣይክትሕጐስን ኢኺ፡ ተለዓሊ እሞ ናብ ኪቲም ተሳገሪ፡ ኣብኡውን ህድኣትስ ኣይክትረኽብን ኢኺ። 13እንሆ፡ ሃገር ከለዳውያን፡ ቀደም ህዝቢ ዘይነበረስ፡ ኣሶር ንኣራዊት በረኻ መደቦ፡ ዝኸቡሉ ግምቦም ይሰርሑ፡ ኣዳራሻታ የፍርሱ፡ ዖናውን ይገብርዎ። 14ኣትን መራኽብ ተርሲስ፡ ዕርድኽን ፈሪሱ እዩ እሞ፡ ዋይዋይ በላ። 15በታ መዓልቲ እቲኣ ክኸውን እዩ፡ ጢሮስ፡ ከም መዓልትታት ሓድ ንጉስ፡ ንሰብዓ ዓመት ክትርሳዕ እያ። ኣብ መወዳእታ ሰብዓ ዓመት ግና ንጢሮስ ከምቲ ደርፊ ኣመንዝራ ዝብሎ ክዀና እዩ፡ 16ኣቲ ርስዕቲ ኣመንዝራ፡ መሰንቆኺ ኣልዕሊ፡ ኣብ ከተማ ዙሪ፡ ኣጸቢቕኪ መሰንቆ ኣቓንዪ፡ ምእንቲ ኽትዝከሪ ድማ፡ ብዙሕ ደርፊ ድረፊ። 17ኣብ መወዳእታ ሰብዓ ዓመት ከኣ ክኸውን እዩ፡ እግዚኣብሄር ንጢሮስ ክቐጽዓ እዩ፡ ንሳ ኸኣ ናብ ዓስቢ ምንዝርናኣ ኽትምለስ፡ ምስ ኲሎም ኣብ ልዕሊ ገጽ ምድሪ ዘለው መንግስትታት ዓለም ድማ ክትምንዝር እያ። 18ግናኸ ረብሓኣን እቲ ዓስቢ ምንዝርናኣን ንእግዚኣብሄር እተቐደሰ ክኸውን እዩ፡ ረብሓኣ በሊዖም ምእንቲ ኽጸግቡ፡ ብሉጽ ክዳንውን ክኽደኑስ፡ ነቶም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዝነብሩ ክኸውን እዩ እምበር፡ ኣይክዕቈርን ኣይክንበርን እዩ።
ትን. ኢሳይያስ ምዕራፍ 24
1እንሆ፡ እግዚኣብሄር ንምድሪ ጥራያ ይገብራን የባድማን፡ ገጻ ይግምጥል፡ ነቶም ኣብኣ ዝነብሩውን ፋሕ የብሎም። 2ከምቲ ንህዝቢ ኸምኡ ንኻህን ክበጽሖ እዩ፡ ከምቲ ንባርያ ኸምኡ ንጐይታ፡ ከምቲ ንግዝእቲ ኸምኡ ንእመቤት፡ ከምቲ ንተሻያጢ ኸምኡ ንሸያጢ፡ ከምቲ ንተለቃሒ ኸምኡ ንመለቅሒ፡ ከምቲ ንብዓል ዕዳ ኸምኡ ንመዕድዪ ኽበጽሕ እዩ። 3እግዚኣብሄር እዚ ቓል እዚ ተዛሪቡ እዩ እሞ፡ ምድሪ ብጥራስ ጥራያ ኽትከውን ብጥራስውን ክትብዝበዝ እያ። 4ምድሪ ትሓዝን ትጽምሉውን ኣላ፡ ዓለም ትሕለል ትጽምሉውን ኣላ፡ እቶም ምርኡያት ህዝቢ ምድሪ ይሕለሉ ኣለው። 5ሕጊ ስዒሮም ስርዓት ለዊጦም፡ ነቲ ዘለኣለማዊ ኪዳን ኣፍሪሶም እዮም እሞ፡ ምድሪ በቶም ኣብኣ ዝነብሩ ረኸሰት። 6ስለዚ መርገም ንምድሪ ውሒጥዋስ፡ እቶም ኣብኣ ዝነብሩ ይቕጽዑ ኣለው፡ ስለዚ እቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ይነዱ፡ ሒደት ሰብ ከኣ ይተርፉ። 7ኰልዒ ወይኒ ይሓዝን፡ ተኽሊ ወይኒ ይሕለል፡ እቶም ኣብ ልቦም ሓጐስ ዝነበሮም ኲላቶም ይትክዙ ኣለው። 8ደስታ ወቓዕቲ ኸበሮ ተሪፉ፡ ጭራሕምራሕ እቶም ሕጉሳት ተወዲኡ፡ ታሕጓስ መሰንቆ ተሪፉ፡ 9ደጊምሲ እናደረፉ ወይኒ ኣይሰትዩን፡ ብርቱዕ መስተ ንሰተይቱ ይመሮም። 10እታ ዝባደመት ከተማ ፈረሰት፡ ቤት ዘበለ ኸኣ ሰብ ከይኣትዎ ተዓጽወ። 11ብዛዕባ ወይኒ ኣብ ኣደባባይ ታዕታዕ ይብሉ፡ ታሕጓስ ዘበለ ዓረበ፡ ተድላ ምድሪ ጐዓዘ። 12ኣብታ ኸተማስ ዑና ጥራይ ተረፈ፡ ምዕናው ከኣ ንመዓጹ ሰበረ። 13እምበኣርሲ ኣብ ምድሪ ኣብ ማእከል ህዝብታት፡ ከምቲ ምንዝናዝ ኣውልዕ፡ ምጒናእ ዘቢብ ተወዲኡስ፡ ቀሪም ከም ዝቕረም፡ ክኸውን እዩ። 14እዚኣቶም ድምጾም የልዕሉ፡ እልል ከኣ ይብሉ፡ ብዛዕባ ግርማ እግዚኣብሄር ካብ ባሕሪ የመስግኑ። 15ስለዚ ንእግዚኣብሄር ኣብ ሃገር ምብራቕ፡ ንስም እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ኣብ ደሴታት ባሕሪ ኣኽብርዎ።
16ካብ ወሰን ምድሪ፡ ክብሪ ነቲ ጻድቕ ዝብል መዝሙር ንሰምዕ ኣሎና። ኣነ ግና፡ ዘማቶ ይዘምቱ፡ እወ፡ ዘማቶ ኣዝዮም ይዘምቱ ኣለው፡ ይዋእ ኣነ፡ ይዋእ ኣነ፡ ወይለይ፡ በልኩ። 17ኣታ ኣብ ምድሪ እትነብር፡ ስምባድን ጒድጓድን መፈንጠራን ኣብ ልዕሌኻ ኣሎ። 18ክኸውን ድማ እዩ፡ እቲ ኻብ ደሃይ ስምባድ ዝሃድም ናብ ጒድጓድ ክወድቕ፡ እቲ ኻብ ጒድጓድ ዝወጽእ ከኣ ብመፈንጠራ ኽትሓዝ እዩ። መሳዂቲ ኣብ ላዕሊ ተኸፊቱ እዩ እሞ፡ መሰረታት ምድሪውን የንደቕድቕ ኣሎ። 19ምድሪ ጥዋዕ ኢላ ትስበር፡ ምድሪ ተረር ኢላ ትትርተር፡ ምድሪ ነነይ ኢላ ትናወጽ። 20ምድሪ ኸም ስኹር ሰንከልከል ትብል፡ ከም ዳስ ከኣ ሰሰው ትብል፡ ኣበሳኣ ኸቢድዋ ትወድቕ፡ መሊሳውን ኣይትትንስእን።
21በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ክኸውን እዩ፡ እግዚኣብሄር ንሰራዊት ላዕሊ ኣብ ላዕሊ፡ ንነገስታት ምድሪውን ኣብ ምድሪ ክቐጽዕ እዩ። 22ብሓደ ይእከቡ፡ እሱራት ኣብ ጒድጓድ ከም ዝእከቡ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይዕጸው፡ ድሕሪ ብዙሕ መዓልትታት ከኣ ክቕጽዑ እዮም።
23እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከኣ ኣብ ከረን ጽዮንን ኣብ የሩሳሌምን ክነግስ፡ ኣብ ቅድሚ ዓበይቱ ድማ ክኸብር እዩ እሞ፡ ሽዑ ወርሒ ኽትሓፍር፡ ጸሓይ ክትሓንኽ እያ።
ትን. ኢሳይያስ ምዕራፍ 25
1ዎ እግዚኣብሄር፡ ንስኻ ኢኻ ኣምላኸይ። ተኣምራት፡ እቲ ናይ ጥንቲ ምኽሪ፡ እምነትን ሓቅን ጌርካ ኢኻ እሞ፡ ልዕል ከብለካ ንስምካውን ክውድሶ እየ። 2ንኸተማስ ኲምራ እምኒ፡ ነታ ዕርድቲ ኸተማ ኸኣ ዑና ጌርካያ ኢኻ እሞ፡ እቲ ኣዳራሽ ጓኖት ደጊም ከተማ ኸይከውን፡ ንዘለኣለም ኣይክስራሕን እዩ። 3ስለዚ እቲ ብርቱዕ ህዝቢ የኽብረካ፡ ከተማ እቶም ጨካናት ኣህዛብ ትፈርሃካ ኣላ። 4ነድሪ እቶም ጨካናት ከምቲ ንመንደቕ ዝወቅዕ ሃጽፊ እዩ እሞ፡ ንስኻ ዕርዲ ንድኻ፡ ንሽጉር ኣብ ጸበባኡ መጸግዒ፡ ካብ ሃጽፊ መዕቀሊ፡ ካብ ሃሩር መጽለሊ ዀንካ። 5ከምቲ ንሃሩር ኣብ ደረቕ ምድሪ እተህድኦ፡ ከምኡ ንታዕታዕ ጓኖት ተህድኦ ኣሎኻ፡ ከምቲ ዋዒ ብጽላሎት ደበና ዝዝሕል፡ ከምኡ ናይቶም ጨካናት ደርፊ ዓወት ይዝሕል ኣሎ።
6እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ኣብዚ ኸረን እዚ ምሳሕ ብስቡሕ ብልዒ ንዂሎም ህዝብታት ክገብረሎም እዩ፡ ምሳሕ ብብርቱዕ ወይኒ፡ ኣንጒዕ ብዝመልኦ ስቡሕ ብልዒ፡ ምሳሕ ብብርቱዕ ጽሩይ ወይኒ ኽገብር እዩ። 7ኣብዚ ኸረን እዚ ነቲ ንዂሎም ህዝብታት ዝጋርድ መጋረጃን ነቲ ንዂሎም ኣህዛብ ዝጒልብብ መጐልበብን ከጥፍኦ እዩ። 8ንሞት ንሓዋሩ ኽውሕጦ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ ንንብዓት ካብ ገጽ ኲሎም ክደርዞ እዩ። እግዚኣብሄር ተዛሪቡ እዩ እሞ፡ ንሕስራን ህዝቡ ኻብ ኲላ ምድሪ ኸርሕቖ እዩ። 9በታ መዓልቲ እቲኣ፡ እንሆ፡ ኣምላኽና እዚ እዩ፡ ተጸቤናዮ፡ ከድሕነና ኸኣ እዩ፡ እቲ እተጸቤናዮ እግዚኣብሄር እዚ እዩ፡ ብምድሓኑ ንተሓጐስ ባህውን ይበለና፡ ክበሃል እዩ። 10ኢድ እግዚኣብሄር ኣብዚ ኸረን እዚ ኽትዓርፍ እያ እሞ፡ ከምቲ ሓሰር ኣብ ዕነ ዝርገጽ፡ ሞኣብ ኣብ ስፍራኡ ኽርገጽ እዩ። 11ከምቲ ሓማሲ ኽሕምስ ከሎ ኣእዳው ዝዝርግሕ፡ ከምኡ ኣብ ማእከሉ ኣእዳው ኽዝርግሕ እዩ፡ ንሱ ኸኣ ንትዕቢቱ ምስናይ እቲ ተንኰል ኣእዳው ኸዋርዶ እዩ። 12ነቲ ልዕል ዝበለ ጽኑዕ ቀጽሪ ዕርድኻ ለጠቕ ከብሎ፡ ከውድቖ፡ ክሳዕ ሓመድውን ናብ ምድሪ ጻሕ ከብሎ እዩ።
ትን. ኢሳይያስ ምዕራፍ 26
1በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ሃገር ይሁዳ እዚ መዝሙር እዚ ኽዝመር እዩ፡ ጽንዕቲ ኸተማ ኣላትና፡ ቀጽርን ዕርድን ገይሩ ምድሓን ከንብረላ እዩ። 2እቲ ሓዊ ዝሕሉ ጻድቕ ህዝቢ ኽኣቱስ፡ ደጌታት ክፈቱ። 3ነቲ ጽኑዕ ዝሃቀናኡ:ኣባኻ ስለ እተማሕጸነ፡ ብሰላም እወ ብሰላም ትሕልዎ። 4እግዚኣብሄር ኣምላኽ ናይ ዘለኣለም ከውሒ እዩ እሞ፡ ንዘለኣለም ብእግዚኣብሄር ተማሕጸኑ። 5ነቶም ኣብ በሪኽ ዝነበሩ ለጠቕ ኣበሎም፡ ነታ ልዕል ዝበለት ከተማ ኣዋረዳ፡ ክሳዕ ምድሪ ኣዋረዳ፡ ናብ ሓመድ ጻሕ ኣበላ። 6እግሪ እረ ኣእጋር ድኻታትን ስጒምቲ ሽጉራትን ይረግጻኣ።
7መገዲ ጻድቕ ቅንዕቲ እያ። ንጻድቕሲ መገዲ ተዳልወሉ ኢኻ። 8ዎ እግዚኣብሄር፡ ኣብ መገዲ ፍርድኻ ተጸቤናኻ። ስምካን ዝኽርኻን ናፍቖት ነፍስና እዩ። 9ፍርድኻ ኣብ ምድሪ ምስ እትገብር፡ እቶም ኣብ ዓለም ዝነብሩ ጽድቂ ይመሃሩ እዮም እሞ፡ ነፍሰይ ብለይቲ ትናፍቐካ፡ በቲ ኣብ ውሽጠይ ዘሎ መንፈስ ድማ ኣንጊሄ እደልየካ ኣሎኹ። 10ንረሲእ እንተ ራሕራሕካሉ፡ ጽድቂ ኣይመሃርን፡ ኣብ ሃገር ቅንዕና እኩይ ይገብር፡ ንግርማ እግዚኣብሄር ድማ ኣይርእዮን።
11ዎ እግዚኣብሄር፡ ኢድካ ተላዒላ ኣላ፡ ንሳቶም ግና ኣይርእዩን፡ ግናኸ ነቲ ምእንቲ ህዝቢ እትጽዕቶ ጻዓት ክርእዩን ክሓፍሩን እዮም፡ እወ፡ ንተጻረርትኻስ ሓዊ ኽውሕጦም እዩ። 12ዎ እግዚኣብሄር፡ ንዂሉ ተግባርና ንስኻ ኢኻ እትፍጽመልና እሞ፡ ሰላም እትህበና ንስኻ ኢኻ። 13ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽና፡ ብጀካኻ ኻልኦት ጐይቶት መሊኾምና ኣለው፡ ግናኸ ብኣኻ ጥራይ ንስምካ ንዝክሮ። 14ምውታትሲ ህያዋን ኣይኰኑን፡ ጽላሎት ኣይትንስኡን፡ ስለዚ ቐጻዕካዮምን ኣጽነትካዮምን፡ ንመዘከርታኦም ዘበለውን ኣጥፋእካዮ።
15ነቲ ህዝቢ ኣብዛሕካዮ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ነቲ ህዝቢ ኣብዛሕካዮ፡ ከበርካ፡ ንወሰን እቲ ሃገር ኲሉ ድማ ኣርሓብካዮ። 16ዎ እግዚኣብሄር፡ ብጸበባ ደለዩኻ፡ ቅጽዓትካ ምስ ረኸቦም፡ ሰላሕ ኢሎም ጸሎት ኣፍሰሱ። 17ከም ጥንስቲ ሰበይቲ፡ ክትወልድ ምስ ቀረበት፡ ቅልውላው ተታሒዛ እትጭርሕ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ንሕናውን ኣብ ቅድሜኻ ኸምኡ ዀንና። 18ጠነስና፡ ጻዕሪ ሕርሲ ሓዘና፡ ንፋስ ከም ዝወለደት ኰንና፡ ምድሓን ንምድሪ ኣየምጻእናላን፡ ኣብ ዓለም ዝነብሩ ኸኣ ኣይውለዱን። 19ምውታትካ ህያዋን ክዀኑ፡ ሬሳታተይ ክትንስኡ እዮም። ኣውልኻ ኣውሊ ብርሃን እዩ፡ ምድሪውን ንምውታት ከተውጽኦም እያ እሞ፡ ኣቱም ኣብ ሓመድ እትነብሩ፡ ንቕሑ እልል ከኣ በሉ።
20-21እንሆ፡ እግዚኣብሄር ነቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ብሰሪ እከዮም ክቐጽዖም ካብ ስፍራኡ ይወጽእ ኣሎ፡ ምድሪ ኸኣ ንደማ ኽትቀልዖ፡ ንቕቱላታውን ድሕሪ ደጊም ኣይክትክውሎምን እያ እሞ፡ እምበኣርከ ኣታ ህዝበይ፡ ኪድ፡ ናብ ሕልፍኚኻ እቶ። ማዕጾኻ ድማ ብድሕሬኻ ዕጾ፡ ቁጥዓ ኽሳዕ ዝሓልፍ ንቕሩብ ግዜ ተሓባእ።
ትን. ኢሳይያስ ምዕራፍ 27
1በታ መዓልቲ እቲኣ እግዚኣብሄር በቲ ተሪርን ዓብይን ሓያልን ሰይፉ ገይሩ፡ ንሌዋታን፡ ነቲ ቕልጡፍ ተመን፡ ንሌዋታን፡ ነቲ ዝለዋወ ተመን፡ ክቐጽዖ፡ ነቲ ኣብ ባሕሪ ዘሎ ገበል ከኣ ክቐትሎ እዩ።
2በታ መዓልቲ እቲኣ ብዛዕባ እቲ እተፈትወ ኣታኽልቲ ወይኒ ዘምሩ፡ 3ኣነ እግዚኣብሄር እሕልዎ፡ ኲሉ ግዜእስትዮ፡ ሓደ እኳ ኸይጐድኦ፡ ለይትን መዓልትን እሕልዎ ኣሎኹ። 4ኲራ የብለይን፡ ተዀርባን እሾዂን ክዋግኡኒ እንተ ዝትንስኡ፡ ተንሲኤ ብሓደ መንደድክዎም። 5እንተ ዘይኰነስ ምሳይ ይተዓረቕ፡ ንሓይለይ ይሓዝ፡ ምሳይ ይተዓረቕ። 6በቲ ዝመጽእ ዘመን፡ ያእቆብ ሱር ክሰድድ፡ እስራኤል ከኣ ክልምዕን ክዕምብብን እዩ፡ ንዝባን ዓለም ድማ ብፍረ ኽመልእዎ እዩም።
7ከምቲ ነቶም ወቓዕቲ ዝወቕዖምዶ ወቒዕዎ እዩ ወይስ ከምቲ ንቕቱላቱ ዝቐተሎምዶ ተቐቲሉ እዩ፧ 8ኣርሒቕካ ብምስጓጒ ብልክዕ ቀጻዕካዮ፡ ብመዓልቲ ንፋስ ምብራቕ ብብርቱዕ ህቦብላኡ ደፍኦ። 9ኣዕኑድ ኣስታርተን ሓወልቲ ጸሓይን ድሕሪ ደጊም ከይትንስኡ፡ ንዂሉ ኣእማን መሰውኢ ኸም ዝሰባበር እምኒ ኖራ ገይሩ ምስ ኣፍረሶ፡ ስለዚ እቲ ኣበሳ ያእቆብ በዚ ተሰርየ፡ እዚ እዩ ምሉእ ፍረ ምርሓቕ ሓጢኣት። 10እታ ጽንዕቲ ኸተማ ትጽሙ፡ ከም በረኻ፡ ሰብ ዘይብሉ እተሓድገ ስፍራ ትኸውን ኣላ፡ ኣብኣ ምራኽ ይጓሰ፡ ኣብኣውን ይውዕልን ጨናፍራ ይበልዕን ኣሎ። 11ጨንገፋ ምስ ነቐጸ፡ ይስበር፡ ኣንስቲውን መጺአን የንድዳኦ። ኣእምሮ ዘይብሉ ህዝቢ እዩ እሞ፡ ስለዚ እቲ ፈጣሪኡ ኣይድንግጸሉን፡ እቲ ደኳኒኡ ድማ ኣይምሕሮን።
12በታ መዓልቲ እቲኣ ክኸውን እዩ፡ ካብቲ ርባ ጀሚሩ ኽሳዕ እቲ ናይ ግብጺ ወሓዚ፡ እግዚኣብሄር ፍረ ኸእቱ እዩ። ኣቱም ደቂ እስራኤል ከኣ፡ በብሓደ ተኣሪኹም ክትእከቡ ኢኹም።
13በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ክኸውን እዩ፡ ዓብዪ መለኸት ክንፋሕ እሞ፡ እቶም ኣብ ሃገር ኣሶር ጠፊኦም፡ እቶም ኣብ ሃገር ግብጺውን ተሰጒጎም ዝነበሩ ኽመጹ፡ ንእግዚኣብሄር ድማ ኣብቲ ቅዱስ ከረን፡ ኣብ የሩሳሌም ክሰግዱሉ እዮም።
ትን. ኢሳይያስ ምዕራፍ 28
1ነታ ኣኽሊል ትዕቢት ናይ ስኹራት ኤፍሬምን ነታ ናይ ክቡር ስልማቱ ዝጸምለወት ዕምባባ፡ ኣብ ርእሲ እታ ስብሕቲ ለሰ ናይቶም ብወይኒ ሰንከልከል ዝብሉ ዘላን ወይለአን። 2እንሆ፡ ሓደ ብርቱዕን ሓያልን ካብ እግዚኣብሄር ይመጽእ ኣሎ፡ ንሱ ኸም ሃጽፊ በረድን ከም ዘጥፍእ ህቦብላን ከም ሃጽፊ ብርቱዕ ደምሳሲ ማይን ኰይኑ፡ ብሓይሊ ናብ ምድሪ ጻሕ የብሎ። 3እቲ ኣኽሊል ትዕቢት ናይ ስኹራት ኤፍሬም ብእግሪ ኽርገጽ እዩ። 4እቲ ኣብ ርእሲ እታ ስብሕቲ ለሰ ዘሎ ናይቲ ኽቡር ስልማቱ ዝጸምለወ ዕምባባ ከምቲ ቕድሚ ቐውዒ ቀዲሙ ዝበሰለ በለስ ክኸውን እዩ፡ ምስ ረኣዮ፡ ገና ኣብ ኢዱ ኸሎ፡ ቀልጢፉ ይውሕጦ።
5በታ መዓልቲ እቲ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ነቶም ተረፍ ህዝቢ ኣኽሊል ክብርን ዘውዲ ስልማትን ክዀኖም እዩ። 6ነቲ ኽፈርድ ዝቕመጥ ከኣ መንፈስ ፍትሒ፡ ነቶም ንውግእ ናብ ኣፍ ደገ ዝመልሱ ድማ ሓይሊ ክዀኖም እዩ። 7ግናኸ እዚኣቶም ድማ ብወይኒ ሰንከልከል ይብሉ፡ ብሰሪ ብርቱዕ መስተ ኸኣ ይሳናኸሉ። ካህንን ነብይን ብሰሪ ብርቱዕ መስተ ሰንከልከል ይብሉ፡ ብወይኒ ይውሓጡ፡ ብሰሪ ብርቱዕ መስተ ሰንከልከል ይብሉ፡ ኣብ ራእይ ይጋገዩ፡ ኣብ ፍርዲ ይዕንቀፉ ኣለው። 8ኲሉ መኣድታት ዘፈንፍን ትፋእ ምሉእ እዩ፡ ካን ጽጹይ ስፍራ ይልቦን። 9ንመን ደኣ ፍልጠት ክምህር እዩ ንመንከ እዩ ነታ መልእኽቲ ኸም ዘስተውዕላ ዝገብሮ ነቶም ጸባ ኣዲኦም ዝሓደጉ፡ ካብ ጡብ እተፈልዩ ድዩ 10ትእዛዝ ኣብ ልዕሊ ትእዛዝ፡ ትእዛዝ ኣብ ልዕሊ ትእዛዝ፡ ባህሊ ኣብ ልዕሊ ባህሊ፡ ባህሊ ኣብ ልዕሊ ባህሊ፡ ሒደት ኣብዚ፡ ሒደት ኣብቲ እዩ። 11እምበኣርሲ ብወታእ ከናፍርን ብልሳን ጓናን ነዚ ህዝቢ እዚ ኽዛረቦ እዩ። 12ንሱውን፡ ዕረፍቲ እዚኣ እያ፡ ነቲ ድኹም ኣዕርፍዎ፡ እታ መቕሰኒት እዚኣ እያ፡ ኢልዎም ነይሩ፡ንሳቶም ግና ምስማዕ ኣበዩ። 13ስለዚ ኸኣ ቃል እግዚኣብሄር ንኣታቶም፡ ትእዛዝ ኣብ ልዕሊ ትእዛዝ፡ ትእዛዝ ኣብ ልዕሊ ትእዛዝ፡ ባህሊ ኣብ ልዕሊ ባህሊ፡ ሒደት ኣብዚ፡ ሒደት ኣብቲ ክዀኖም እዩ። ክኸዱ ኸለው ኸኣ፡ ጥንቅሊዒት ወዲቖም፡ ክስበሩን ክፍንጠሩን ክትሓዙን እዮም።
14ስለዚ ኣቱም መላገጽቲ፡ ኣቱም ነዚ ኣብ የሩሳሌም ዘሎ ህዝቢ እትመልኩ፡ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ። 15ንስኻትኩም ከኣ፡ ምስ ሞትሲ ኪዳን ተኣታቲና፡ ምስ ሲኦም ድማ ተዋዓዒልና፡ ንሓሶት ጸግዕና ንጥልመትውን ከውልና ጌርና ኢና እሞ፡ መዓት ከም ደምሳሲ ውሒዝ ኰይኑ ምስ ዝሓልፍ፡ ኣባናስ ኣይክበጽሕን እዩ፡ ትብሉ ኣሎኹም እሞ፡ 16ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እንሆ፡ ኣብ ጽዮን እምኒ መሰረት፡ ፍቱን እምኒ፡ ድልዱል ዝመሰረቱ፡ ክቡር እምኒ ዂርናዕ እንብር ኣሎኹ፡ ብእኡ ዝኣምን ኣይክሃድምን እዩ። 17ፍርዲ ንመዓቀኒ፡ ጽድቂ ኸኣ ንመለክዒ ኽገብሮ እየ፡ በረድ ንጸግዒ ሓሶት ከፍርሶ፡ ማያትውን ነቲ ኸውሊ ኽድምስሶ እዩ። 18እቲ ምስ ሞት እተኣታቶኹምዎ ኪዳንሲ ከንቱ ክኸውን፡ እቲ ምስ ሲኦል እተዋዓዓልኩምዎ ውዕል ከኣ ኣይክጸንዕን እዩ፡ መዓት ከም ደምሳሲ ውሒዝ ኰይኑ ምስ ዝሓልፍ፡ ንስኻትኩም ብእኡ ኽትርገጹ ኢኹም። 19ንግሆ ንግሆ፡ ለይትን መዓልትን ክሓልፍ እዩ እሞ፡ እናሓለፈ ኽሕዘኩም እዩ። ነዚ መልእኽቲ እዚ ምስትውዓልሲ መሰክሒ ጥራይ ክኸውን እዩ። 20ዓራት ከየሳፍሑሉ፡ ሓጺር እዩ፡ መደረብታ ኸኣ፡ ብእኡ ኸይጒልበቡ፡ ጸቢብ እዩ። 21እግዚኣብሄር ንዕዮኡ፡ ነቲ መስትንክር ዕዮኡ ምእንቲ ኽገብር፡ ንተግባሩ፡ ነቲ ዘደንቕ ተግባሩ ምእንቲ ኽፍጽምሲ፡ ከም ኣብ ከረን ጴራጺም ክትንስእ፡ ከም ኣብ ለሰ ጊብዖን ክዂሪ እዩ እሞ፡ 22ጥፍኣት ኣብ ልዕሊ ዂላ ምድሪ ተመዲቡ ኸም ዘሎ፡ ካብ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ሰሚዐ ኣሎኹ እሞ፡ ማእሰርትኹም ከይጸንዕ ደጊምሲ ኣይተላግጹ።
23ጽን በሉ፡ ድምጻይ ስምዑ፡ ኣስተብህሉ፡ ዘረባይ ድማ ስምዑ። 24ሓረስታይ ክዘርእ ኢሉ ዂሉ መዓልቲዶ ይሓርስ፡ ንግራቱስ ይባርዎን ይጒልጒሎን ድዩ 25ንዝባኑ ምስ ኣጣጥሖ ሰሰግዶ ኣይንስንስን ካሙንከ ኣይብትንን ድዩ ስርናይ ከኣ ኣብቲ ትልምታት፡ ስገም ድማ ኣብ ወገኑ፡ ንሂጒውን ኣብ ወሰነ ወሰኑዶ ኣይዘርእን እዩ 26ኣምላኽውን ነቲ ቕኑዕ ኣገባቡ ኣፍሊጥዎን ምሂርዎን እዩ። 27ሰሰግ ብመኸዲ ኣይክየድን፡ መንኰርኰር ሰረገላ ኸኣ ኣብ ካሙን ኣየዙሩን፡ ንሰሰግሲ ብጨንገፍ፡ ንካሙን ድማ ብሸቦጥ እዮም ዝዘብጥዎ። 28እኽሊ ይጥሓን እምበር፡ ንሓዋሩስ ኣይክየድን እዩ፡ መንኰረዂር ሰረገላኡን ኣፍራሱን እኳ እንተ ኣኸድሉ፡ ኣይጥሓንን እዩ። 29እዚውን ካብ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት እዩ ዝወጸ። ንሱ ብምኽሩ ዘገርም፡ ብጥበቡውን ዓብዪ እዩ።
ትን. ኢሳይያስ ምዕራፍ 29
1ኣቲ ኣሪኤል፡ ኣሪኤል፡ ዳዊት መሳፍሮ ዝገበረኪ ኸተማ፡ ወይለኺ። ዓመት ኣብ ዓመት ወስኹ፡ በዓላትውን ምዝዋሩ ይፈጽም። 2ንኣሪኤል ድማ ከጨንቐላ እየ፡ ዋይዋይን ቁዝማን ክኸውን እዩ፡ ንሳውን ከም ኣሪኤል ክትኰነኒ እያ። 3ኣብ ከባቢኻ ኽሰፍር እየ፡ ብሰራዊት ክኸበኪ፡ ኣብ ልዕሌኺውን ዕርዲ ከቕውም እየ። 4ተዋሪድኪ፡ ካብ ምድሪ ኽትዛረቢ ኢኺ፡ ቃልኪ ብሰላሕላሕ ካብ ሓመድ ክወጽእ፡ ድምጽኺ ከም ድምጺ ሰራዪ ኻብ ምድሪ ኽስማዕ፡ ቃልኪውን ካብ ሓመድ ሕሽዂሽዂ ክብል እዩ። 5ብዝሒ ጻላእትኺ ግና ከም ድኹም ተጐጓ፡ ብዝሒ እቶም መጨነቕቲ ኸኣ ከምቲ ዝሓልፍ ብቑብቑ ክኸውን እዩ፡ እዚውን ብቕጽበት ብድንገት ክኸውን እዩ። 6መዓት እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ብነጒድን ምንድቕዳቕ ምድርን ብብርቱዕ ህማምን ህቦብላን ሃጽፍን ብዝባላዕ ሃልሃልታ ሓውን ክመጸኪ እዩ። 7ብዝሒ እቶም ኣብ ልዕሊ ኣሪኤል ዝትንስኡ ዂሎም ኣህዛብ፡ ብዝሒ እቶም ንእኣን ንዕርዳን ዝወግኡን ዘጽብቡን ኲሎም ከም ሕልምን ራእይ ለይትን ክኸውን እዩ። 8ከምቲ ጥሙይ ብሕልቡ ዝበልዕ፡ ምስ ነቕሐ ግና ነፍሱ ጥራያ እያ፡ ከምቲ ጽሙእ ድማ ብሕልሙ ዝሰቲ፡ ግናኸ ምስ ነቕሐ፡ እንሆ፡ ይሕለል ነፍሱውን ትጸምእ፡ እቶም ብዙሓት ንኸረን ጽዮን ዝወግእዋ ዂሎም ኣህዛብ ድማ ከምኡ ክዀኑ እዮም።
9ተድነቑን ተገረሙን ተዓመቱን ዑሩን። ስኹራት እዮም፡ ግናኸ ኣይብወይንን፡ ሰንከልከል ይብሉ፡ ግናኸ ብብርቱዕ መስተ ኣይኰኑን። 10እግዚኣብሄርሲ መንፈስ ከቢድ ምትኻስ ኲዕዩልኩም ኣሎ እሞ፡ ነዒንትኹም ደፊንወን፡ ንነብያትን ንሓለቓታትኩምን ንሰብ ራእይን ኣጐልቢብዎም ኣሎ። 11ኲሉ ራእይ ከም ቃላት ሕቱም መጽሓፍ ኰይኑኩም ኣሎ። ንሓደ ንባብ ዝፈልጥ፡ እንካ እስከ እዚ ኣንብብ፡ ኢሎም እንተ ሃብዎ፡ ንሱ ኸኣ፡ ሕቱም እዩ እሞ፡ ኣይዀነለይን፡ ኢሉ ይመልስ። 12ወይስ ንሓደ ንባባ ዘይፈልጥ፡ እንካ እስከ እዚ ኣንብብ፡ ኢሎም እንተ ሃብዎ፡ ንሱው፡ ንባብ ኣይፈልጥን እየ፡ ኢሉ ይመልስ።
13እግዚኣብሄር ከኣ በለ፡ እዚ ህዝቢ እዚ ብኣፉ ኻብ ዝቐርበኒ፡ ብኸናፍሩውን ካብ ዘኽብረኒ፡ ልቡ ግና ካባይ ካብ ዝርሕቕ፡ እቲ ንኣይ ምፍራሁ ኸኣ ብምህሮ ባህሊ ሰብ ካብ ዝኸውን፡ 14ስለዚ እንሆ፡ ኣብ ማእከል እዚ ህዝቢ እዚ ዘደንቕ ተግባር፡ እወ፡ ዘደንቕ ተግባርን ተኣምራትን ወሲኸ ኽገብር እየ፡ ጥበብ፡ እቶም ጥበበኛታቱ ኽጠፍእ፡ ምስትውዓል እቶም ኣስተውዓልቱ ኽድፈን እዩ፡ በለ።
15ነቶም ንምኽሮም ካብ እግዚኣብሄር ኣዕሚቖም ዝሓብኡ፡ ተግባሮም ከኣ ብጸልማት ዝገብሩ እሞ፡ መን ይርእየና መንከ ይፈልጠና፡ ዝብሉስ ወይለኦም። 16ኣየ ኣቱም ቄናናት፡ ስሩሕ ንስራሒኡ፡ ንስኻ ኣይሰራሕካንን፡ ድኩን ከኣ ንደኳኒኡ፡ ንስኻ ኣይተስተውዕልን ኢኻ፡ ኢሉስ መሬትዶ ምስ ሰራሒኡ ይመዓራረ እዩ 17ሊባኖስ ናብ ፍርያም ግራት ክልወጥ፡ እቲ ፍርያም ግራት ከኣ ከም ዱር ክቑጸር፡ ቅሩብ ግዜዶ ኣይኰነን ተሪፉ ዘሎ 18በታ መዓልቲ እቲኣ ጸማማት ንቓል እቲ ጽሑፍ ክሰምዑ፡ ኣዒንቲ ዕውራት ድማ ካብ ጽልግልግታን ጸልማትን ወጺእን ክርእያ እየን። 19እቶም ዓቃላት ንሓጐሶም ኣብ እግዚኣብሄር ከዕዝዝዎ፡ እቶም ኣብ ማእከል ሰብ ዘለው ድኻታት ከኣ በቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ክሕጐሱ እዮም። 20ስለዚ እቲ ጨካን ደጊም ኣይክህሉን፡ እቲ መላገጺ ኸኣ ጠፊኡ እዩ፡ እቶም እከይ ክገብሩ ትልጭ ዝብሉ ዂላቶም፡ 21እቶም ንሰብ ብሰሪ ሓንቲ ቓል ከም በዳሊ ዝፈርድዎ፡ ነቲ ኣብ ደገ ዝግስጽ ከኣ መፈንጠራ ዝግትሩሉ፡ ነቲ ጻድቕ ድማ ብኸንቱ ዘርሕቕዎ ኽጸንቱ እዮም።
22ስለዚ እቲ ንኣብርሃም እተበጀዎ እግዚኣብሄር ንቤት ያእቆብ ከምዚ ይብላ ኣሎ። ደጊምሲ ያእቆብ ኣይክሓፍርን ገጹውን ኣይክጽምሉን እዩ። 23ንደቁ፡ እቶም ግብሪ ኣእዳወይ፡ ኣብ ማእከሉ ምስ ረኣየ ግና፡ ሽዑ ንሳቶም ንስመይ ክቕድሱ፡ ነቲ ናይ ያእቆብ ቅዱስ ድማ ክቕድሱ፡ ንኣምላኽ እስራኤል ከኣ ክፈርሁ እዮም። 24እቶም ብመንፈስ እተጋገዩ ድማ ኣእምሮ ኽረኽብ፡ እቶም መጒረምረምቲውን ትምህርቲ ኽምሃሩ እዮም።
ትን. ኢሳይያስ ምዕራፍ 30
1ኣቱም ተጻረርቲ ደቂ፡ ወይለኹም፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ምኽሪ ትመኽሩ፡ ግናኸ ካባይ ኣይኰነን፡ ሓጢኣት ኣብ ልዕሊ ሓጢኣት ክትውስኹስ፡ ኪዳን ትትኣታተው ኣሎኹም፡ ግናኸ ካብ መንፈሰይ ኣይኰነን። 2ብሓይሊ ፈርኦን ክትሕይሉ፡ ኣብ ጽላል ግብጺ ኸኣ ክትጽግዑ ኢልኩምሲ፡ ናብ ግብጺ ትወርዱ ኣሎኹም፡ ግናኸ ንኣፈይ ኣይሓተትኩምን። 3ስለዚ እቲ ሓይሊ ፈርኦን መነወሪኹም፡ እቲ ኣብ ትሕቲ ጽላል ግብጺ ምጽጋዕኩም ድማ መሕፈሪኹም ክኸውን እዩ። 4መሳፍንቱ ኣብ ጾኣን ኣለው፡ ልኡኻቱውን ናብ ሃኔስ በጽሑ እሞ፡ 5በቲ ነውርን ሕፍረትን እምበር፡ ገለ እኳ ዘይጠቕሞም፡ ረዲእትን ጥቕምን ከኣ ዘይብሉ ህዝቢ ኲላቶም ክሓፍሩ እዮም።
6ጾር ብዛዕባ ኣራዊት ደቡብ።
በታ ዋዕሮን ሓየትን መንደልቶን ዝነፍር ገበልን ብምድሪ ጸበባን ምዕሉባጥን ኣቢሎም፡ ንሃብቶም ኣብ ዝባን ጸዕብ፡ ንዕቋሮም ከኣ ኣብ መንጒዳ ኣግማል ጽዒኖም፡ ንገለ እኳ ዘይጠቕሞም ህዝቢ የምጽኡሉ። 7ግብጺ ብኸንቱ ብብላሽ እያ እትረድእ እሞ፡ ስለዚ ንእኣ፡ ረሃብ ስቕ ኢላ እትቕመጥ፡ ኢለ ሰሜኽዋ። 8እምበኣርሲ ኺድ እሞ፡ ኣብ ቅድሚኦም ኣብ ሰሌዳ ሓንጽጾ፡ ንዝመጽእ ግዜን ንሓዋሩን ንዘለኣለምን ክነብርሲ፡ ኣብ መጽሓፍ ጽሓፎ። 9ዓለወኛ ህዝቢ፡ ሓሰውቲ ውሉድ፡ ንሕጊ እግዚኣብሄር ምስማዕ ዝኣብዩ ውሉድ እዮም እሞ፡ 10ነቶም ረኣይቲ፡ ኣይትርኣዩ፡ ንነብያት ከኣ፡ ቅኑዕ ነገር ኣይትነበዪልና፡ ዘሐጒስ ደኣ ንገሩና፡ ጥበራውን ተነበዪልና፡ 11ካብ ጐደና ኣግልሱ፡ ካብ መገዲ ዝበሉ፡ ነቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ካብ ቅድሜና ኣርሕቑ፡ ይብሉ። 12ስለዚ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ከምዚ ይብል፡ ነዚ ቓል እዚ ንዒቕኩም፡ ኣብ ዓመጽን ኣብ ጐመጽን ተወክልኩም፡ ንእኡ ጸግዒ እትገብሩስ፡ 13ስለዚ እዚ ኣበሳ እዚ ኸም ሓደ ኽወድቕ ዝቐረበ ነቓዕ፡ ከምቲ ብድንገትን ብቕጽበትን ዝፈርስ እተዘዘወ ነዊሕ መንደቕ ክዀነኩም እዩ፡ 14ዕትሮ ስራሕ መሬት ከም ዝሰባበር፡ ክሰባበር እዩ፡ ካብቲ ገልዑ እኳ ሓዊ ኻብ እቶን ዝጽሓሮ፡ወይስ ማይ ካብ ሓጽቢ ዝቕድሖ ኸም ዘይርከብ፡ ብዘይ ምሕረት ክሰባበር እዩ።
15እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ፡ ከምዚ ኢሉ ኣሎ እሞ፡ ብምምላስኩምን ብምህዳእኩምን ክትድሕኑ ኢኹም፡ ሓይልኹም ኣብ ህድኣትን ኣብ ምውካልን ክኸውን እዩ፡ ግናኸ ኣቤኹም። 16ንስኻትኩምውን፡ ኣይፋልናን፡ በፍራስ ደኣ ንሃድም፡ ስለዚ ኽትሃድሙ ኢኹም፡ ኣብ ፈጣናት ኣፍራስ ከኣ ክንቅመጥ ኢና፡ በልኩም። ስለዚ እቶም ዝሰጉኹም ፈጣናት ክዀኑ እዮም። 17ብምፍርራህ ሓደ ሰብኣይ ካባኻትኩም ሽሕ ክሃድሙ እዮም፡ ከም ጒንዲ ኣብ ርእሲ ኸረን፡ ከም ሰንደቕ ዕላማውን ኣብ ኲርባ ኽሳዕ እትተርፉ፡ ብምፍርራህ ሓሙሽተ ኽትሃድሙ ኢኹም። 18ስለዚ ኸኣ እግዚኣብሄር፡ ጸጋ ምእንቲ ኽህበኩም ክጽበ፡ ስለዚውን ምእንቲ ኽምሕረኩም ልዕል ክብል እዩ። እግዚኣብሄርሲ ኣምላኽ ፍርዲ እዩ እሞ፡ እቶም ዝጽበይዎ ዘበሉ ዂላቶም ብጹኣን እዮም።
19እቲ ህዝቢ ኣብ ጽዮን ኣብ የሩሳሌም ክነብር እዩ እሞ፡ ድሕርዚ ኣይክትበክን ኢኻ፡ ምስ እተእዊ ብርግጽ ጸጋ ኽህበካ እዩ፡ ክሰምዕ ከሎ ኸኣ ክመልሰልካ እዩ። 20እግዚኣብሄርሲ እንጌራ ጸበባን ማይ ጭንቀትን ክህበኩም እዩ፡ ኣዒንትኻ ግና መምህራንካ ኽርእያ እየን እምበር፡ ደጊምሲ መምህራንካ ኣይክስወሩን እዮም። 21ንየማን ወይስ ንጸጋም እንተ ኣግለስኩም፡ ኣእዛንካ፡ እዚኣ እያ እታ መገዲ፡ ብእኣ ተመላላሱ፡ ዝብል ቃል ኣብ ድሕሬኻ ኽሰምዓ እየን። 22ነቲ ናይ ቅርጺ ምስልታትካ ተለቢጥዎ ዘሎ ብሩርን፡ ነቲ ናይ ፍሲ ምስልታትካ ተጠሊቕዎ ዘሎ ወርቅን ከተርክሶን ከም ርኹስ ነገር ክትጒሕፎን፡ ወጊድ ካብዚ ውጻእ፡ ክትብሎን ኢኻ። 23ንሱ ኸኣ ነቲ ኣብ ምድሪ ዝዘራእካዮ ዘርኢ ዝናም ክህብ፡ ካብቲ ምድሪ ዝርከብ እንጌራ ድማ ጥዑምን ኣኽልታርፍን ክኸውን እዩ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ማልካ ኣብ ርሒብ ሸኻታት ክጓሰያ እየን። 24እቶም ንምድሪ ዝሓርሱ ኣብዑርን ጻዕባትን ከኣ ብመስአን ብሰፍእን ዝጸረየ ጨው ዝጥዕም ድርቋ ኽበልዑ እዮም። 25በታ ግምብታት ዝወድቁላ ዓባይ መዓልቲ ቕትለት ከኣ ኣብ ኲሉ ነዋሕቲ ኣኽራንን ኣብ ኲሉ በረኽቲ ዂድዂዶታትን ርባታትን ወሓይዝትን ክኸውን እዩ። 26በታ እግዚኣብሄር ንመስበርቲ ህዝቡ ዝዘንላ፡ ንቑስሊ መውቃዕቱ ዘሕውየላ መዓልቲ ኸኣ እቲ ብርሃን ወርሒ ኸም ብርሃን ጻሓይ ክኸውን፡ ብርሃን ጸሓይ ድማ ሾብዓተ ዕጽፊ ኸም ብርሃን ሾብዓተ መዓልቲ ክኸውን እዩ።
27እንሆ፡ ስም እግዚኣብሄር ብርሱን ቁጥዓኡን ብዝዕልስ ትክን ካብ ርሑቕ ይመጽእ ኣሎ፡ ከናፍሩ ብዂራ ምሉእ፡ ልሳኑውን ከም ዝባላዕ ሓዊ እዩ። 28ነህዛብ ብምሐ ኸንቱነት ክሐሕዮም፡ ንምንጋጋ ህዝብታት ከኣ ብዘጋጊ ልጓም ምእንቲ ኽለጒምሲ፡ ትንፋሱ ኸምቲ ኽሳዕ ክሳድ ዝበጽሕ ደምሳሲ ውሒዝ እዩ። 29ከምታ ቅዱስ በዓል ዝበዓለላ ለይቲ ኽትዝምሩ ኢኹም፡ ከምቲ ናይ ከረን እግዚኣብሄር፡ ናብቲ ኸውሒ እስራኤል፡ ብቓና እምብልታ ኽድይቡ ኸለው፡ ከምኡውን ልብኹም ክሕጐስ እዩ። 30እግዚኣብሄር ድማ ነቲ ኽቡር ድምጹ ኸስምዕ እዩ፡ ንቕልጽሙ ኸኣ ብዂራ ቑጥዓን ብሃልሃልታ ዝባላዕ ሓውን ብሽሾን ሃጽፍን በእማን በረድን ኣውሪዱ ኸርኢ እዩ። 31ኣሶር ብሸቦጥ ምስ ወቕዐ፡ ብድምጺ እግዚኣብሄር ክሰባበር እዩ እሞ፡ 32ኲሉ መውቃዕቲ እታ እግዚኣብሄር ዘውርደሉ ምድብቲ ስላዕ ከኣ ብኸበሮን መሰንቆን ክኸውን እዩ፡ ንሱ ኸኣ መመሊሱ ኢዱ እናልዓለ ኽዋግኦም እዩ። 33ቶፌት ካብ ቀደም ተዳልያ ኣላ፡ እወ፡ ንንጉስ እኳ ደኣ እያ እተዳለወት፡ ኣዕመቛን ኣርሓባን፡ ኣብኣ ኸኣ ሓውን ብዙሕ ዕጨይትን ተዀሚሩ ኣሎ፡ ትንፋስ እግዚኣብሄር ከም ውሒዝ ዲን በግ የብላ ኣሎ።
ትን. ኢሳይያስ ምዕራፍ 31
1እቶም ረዲኤት ደልዮም ናብ ግብጺ ዝወርዱ፡ እምንቶኦም በፍራስ ዝገብሩ፡ ኣብ ዓረብያታት፡ ብዙሓት ስለ ዝዀና፡ ኣብ ፈረሰኛታት ድማ፡ ብርቱዓት ስለ ዝዀኑ፡ ዝውከሉ ወይለኦም። ናብቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ግና ኣይጥምቱን፡ ንእግዚኣብሄር ከኣ ኣይደልይዎን። 2ግናኸ ንሱ ድማ ጠቢብ እዩ፡ ንእከይ የምጽኦ፡ ንቓሉ ኸኣ ኣይልውጦን፡ ንምጽራር ቤት እቶም ገበርቲ እከይን፡ ንምጽራር ረዲኤት ዓመጸኛታትን ድማ ይትንስእ። 3እምበኣርከ ግብጻውያንሲ ሰብ እዮም፡ ኣምላኽ ኣይኰኑን፡ ኣፍራሶም ከኣ ስጋ እዮም፡ መንፈስ ኣይኰኑን። እግዚኣብሄር ኢዱ ምስ ዝዝርግሕ ከኣ፡ እቲ ረዳኢ ይዕንቀፍ፡ እቲ ተረዳኢውን ይወድቕ እሞ ኲላቶም ሓቢሮም ይጠፍኡ።
4እግዚኣብሄር ከምዚ ኢሉኒ እዩ እሞ፡ ከምቲ ኣንበሳን ሽደን ኣንበሳን ብዙሓት ጓሶት እኳ ተጸዋዊዖም እንተ መጽዎ ብግዳዩ ዝጓዝም፡ ብድምጾም ዘይስምብድን ብጭራሕምራሖም ዘይፈርህን፡ ከምኡ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ኣብ ከረን ጽዮንን ኣብ ኲድዂዶኣን ምእንቲ ኽዋጋእ ክወርድ እዩ። 5ከምተን ዝነፍራ ኣዕዋፍ ገይሩ፡ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ንየሩሳሌም ከዕቁባ እዩ፡ ከዕቁባን ከናግፋን ክንሕፋን ከድሕናን እዩ።
6ኣቱም ደቂ እስራኤል፡ ናብቲ ኻብኡ ኣዚኹም ዝረሓቕኩም ተመለሱ። 7በታ መዓልቲ እቲኣ ነቶም ኣእዳውኩም ንመሕጥኢ ዝገበራኦም ጣኦታት ብሩርን ጣኦታት ወርቅን ነፍሲ ወከፎም ክድርብይዎም እዮም እሞ፡ 8ሽዑ ኣሶር ብሰይፊ ኽወድቕ፡ ብናይ ሰብ ኣይኰነን፡ እቲ ናይ ሰብ ዘይኰነ ሰይፊ ኸኣ ክውሕጦ እዩ። ካብ ሰይፊ ድማ ክሃድም እዩ፡ ኣጒባዙውን ገባር ክዀኑ እዮም። 9ካብ ፍርሃት እተላዕለ እምባኡ ኽሓልፍ፡ መሳፍንቱውን ብሰንደቕ ዕላማ ኽፈርሁ እዮም፡ ይብል እቲ ሓው ኣብ ጽዮን፡ እቶኑ ኸኣ ኣብ የሩሳሌም ዘለዎ እግዚኣብሄር።
ትን. ኢሳይያስ ምዕራፍ 32
1እንሆ፡ ንጉስ ብጽድቂ ኽነግስ እዩ፡ መሳፍንቲ ኸኣ ብቕንዕና ኽገዝኡ እዮም። 2ሰብ ድማ ካብ ንፋስ ከም ከውሊ፡ ካብ ህቦብላ ኸም ጸግዒ፡ ኣብ ደረቕ ምድሪ ኸም ወሓዚ ማያት፡ ኣብ ምድሪ ኣጻምእ ከም ጽላል ዓብዪ ኸውሒ ክኸውን እዩ። 3ኣዒንቲ እቶም ረኣይቲ ኣይክዖራን፡ ኣእዛን እቶም ሰማዕቲ ኸኣ ጽን ክብላ እየን። 4ልቢ እቶም ዝንጉዓት ፍልጠት ከስተውዕል፡ ልሳን ወትኣት ከኣ ትኽ ኣቢሉ ኣጽርዩ ኽዛረብ እዩ። 5ሕሱምሲ ድሕሪ ደጊም ክቡር ተብሂሉ ኣይክስመን፡ መጣፍኢ ኸኣ ጐይታ ኣይክብሃልን እዩ። 6ሕሱም ሰብሲ ረሲእነት ምእንቲ ኽገብር፡ ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄር ስሕተት ክዛረብ፡ ንነፍሲ ጥሙይ ጥራያ ኽሓድጋ ንጽሙእ ድማ መስተ ምእንቲ ክኸልኦስ፡ ሕሰም ይዛረብ፡ ልቡ ኸኣ እከይ ይሰርሕ። 7መሳርያ መጣፍኢ ተካል እዩ፡ ንሽጉራትን ነቲ ቕንዕና ዝዛረብ ድኻን ብቓል ሓሶት ምእንቲ ኸጥፍኦምሲ፡ እኩይ ሓሳብ ይጠላልፍ። 8ክቡር ሰብ ግና ክቡር ሓሳብ ይሓስብ፡ ኣብ ክቡር ነገር ከኣ ይጸንዕ።
9ኣትን ጥዒሙክን ዘሎኽን ኣንስቲ፡ ተንስኣ እሞ ድምጸይ ስምዓ፡ ኣትን ግዲ ዘይብልክን ኣዋልድ፡ ናብ ዘረባይ ኣድህባ። 10ምጒናእ ዘቢብ ጠፊኡ፡ ምእራይ ፍሬታት ኣይመጽእን እዩ እሞ፡ ኣትን ግዲ ዘይብልክን ኣንስቲ፡ ድሕሪ ዓመትን ቅሩብ መዓልታትን ክትስምብዳ ኢኽን። 11ኣትን ጥዒሙክን ዘሎኽን ኣንስቲ፡ ተሸበራ፡ ኣትን ግዲ ዘይብልክን፡ ራዕራዕ በላ፡ ተቐንጠጣ እሞ ጥራይክን ኩና፡ ሓቛቑኽን ድማ ተዓጠቓ። 12ስለዚ ጽቡቕ ሸዓብትን ስለቲ ፈራዪ ኣታኽልቲ ወይንን ኣፍ ልበን ክወቕዓ እየን። 13ኣብ ምድሪ ህዝበይ፡ እወ፡ ኣብታ ሕጒስቲ ኸተማ ዘሎ ዂሉ ኣባይቲ ደስታ፡ እሾዂን ተዀርባን ክበቁል እዩ። 14ኣዳራሽ ክሕደግ እዩ፡ እታ ሰባ ታእላው ዘይብሉ ኸተማ ኽትጽሙ እያ፡ ዕርድን ግምብን ከኣ ንሓዋሩ በዓትታታን ሓጐስ ኣእዱግ ከደንን መጓስዪ መጋርያታትን ክኸውን እዩ እሞ፡ 15መንፈስ ካብ ላዕሊ ኽሳዕ ዝከዓወና ከምዚ ክኸውን እዩ። ሽዑ ነቲ ምድረ በዳ ኸም ፈራዪ ሽዕበት ክኸውን፡ እቲ ፈራዪ ሽዕበት ድማ ከም ዱር ክቑጸር እዩ። 16ሽዑ ቕንዕና ኣብ ምድሪ በዳ ኽሰፍር፡ ጽድቂውን ኣብ ፈራዪ ሽዕበት ክነብር እዩ። 17ግብሪ ጽድቅስ ሰላም፡ ፍረ ጽድቂውን ህድኣትን ደሓንን ንዘለኣለም ክኸውን እዩ። 18ህዝበይ ኣብ ማሕደር ሰላምን ኣብ ኣባይቲ ደሓንን ኣብ ህዱእ ቦታታት ዕረፍትን ክነብር እዩ። 19ግናኸ ዱር ብበረድ ክወድቕ፡ እታ ኸተማውን ኣዝያ ኽትዋረድ እያ። 20ኣቱም ኣብ ጥቓ ዂሉ ማያት እትዘርኡን ነእጋር ብዕራይን ኣድግን እትፍንውን፡ ብጹኣን ኢኹም።
ትን. ኢሳይያስ ምዕራፍ 33
1ኣታ እትዘምት እሞ ዘይተዘመትካ፡ ወይለኻ፡ ኣታ እትጠልም እሞ ዘይተጠለምካ፡ ወይለኻ። ምዝማት ምስ ፈጸምካ፡ ክትዝመት ኢኻ። ምጥላም ምስ ወዳእካ፡ ክጠልሙኻ እዮም። 2ዎ እግዚኣብሄር ምሓረና፡ ንኣኻ ንጽበ ኣሎና። ኣብ ጸጽባሕ ቅልጽሞም፡ ብግዜ ጸበባ ኸኣ ምድሓንና ኹን። 3እቶም ህዝብታት በቲ ህማም ታዕታዕ ይሃድሙ፡ ብምትንሳእካ ኣህዛብ ፋሕ ይብሉ። 4ኲብኲብታ ኸም ዝእከብ፡ ዘመቴኹም ይእከብ፡ ኣንበጣ ኸም ዝጐዪ ይጐይዎ ኣለው። 5እግዚኣብሄር ልዑል እዩ፡ ኣብ ላዕሊ ይነብር እዩ እሞ፡ ንጽዮን ብፍርድን ጽድቅን መሊእዋ ኣሎ። 6ኣብ ዘመናትካ ህድኣትን ብዝሒ ምድሓንን ጥበብን ፍልጠትን ክኸውን እዩ፡ ምፍራህ እግዚኣብሄር ከኣ መዝገቡ እዩ።
7እንሆ፡ ጀጋኑኦም ኣብ ወጻኢ ይጭድሩ፡ ልኡኻት ሰላም ከኣ ኣምሪሮም ይበኽዩ ኣለው። 8መገድታት ባደመ፡ ሓላፍ መገዲ ተሳእነ። ኪዳን ጠለመ፡ ከተማታት ነዓቐ፡ ንሰብ ገለ እኳ ኣየቋጽሮን። 9እታ ሃገር ሓዘነትን ሓስኤትን፡ ሊባኖስ ሓፈረትን ነቐጸትን፡ ሳሮን ከም ምድረ በዳ ዀነት፡ ባሳንን ቀርሜሎስን ድማ ቈጽሉ ረገፈ። 10እግዚኣብሄር ግና፡ ሕጂ ኽትንስእ፡ ሕጂ ኽለዓል፡ ሕጂ ልዕል ክብል እየ፡ ይብል ኣሎ። 11ሳዕሪ ትጠንሱ፡ ሓሰር ከኣ ክትወልዱ ኢኹም፡ ትንፋስኩም፡ ዝበልዓኩም ሓዊ እዩ። 12ህዝብታት ከምቲ ብሓዊ ዝነደደ ኖራ ይነዱ፡ ከምቲ ኣብ ሓዊ ሞዂ ዝብል ቈጥቋጥ እሾዂ ይዀኑ።
13ኣቱም ኣብ ርሑቕ ዘሎኹም፡ ዝገበርክዎ ስምዑ፡ ኣቱም ቀረባ ዘሎኹም ከኣ፡ ስልጣነይ ፍለጡ። 14ኣብ ጽዮን ዘለው ሓጢኣተኛታት ይስምብዱ ኣለው፡ ንረሲኣን ድማ ራዕዲ ይሕዞም ኣሎ፡ ካባናስ ምስ ዝባላዕ ሓዊ ኽነብር ዝኽእል መን እዩ ካባናኸ ምስ ናይ ዘለኣለም ባርዕ ክነብር ዝኽእል መን እዩ 15እቲ ብጽድቂ ዝመላለስን ቅንዕና ዝዛረብን፡ ረብሓ ምጭቋን ዝንዕቕ፡ መማለዲ ኸይቅበል ድማ ኢዱ ዝንዝንዝ፡ ብናይ ምኽዓው ደም ከይሰምዕ ከኣ ኣእዛኑ ዝውትፍ፡ እከይ ከይርኢውን ኣዒንቱ ዝዕምትሲ፡ 16ንሱ ኣብ በረኻ ክነብር፡ ኣኻውሕ እምባታት ከኣ ጸግዑ ከኽውን፡ እንጌራኡ ኽረክብ ማዩውን ንሓዋሩ ኣይክነጽፍን እዩ።
17ኣዒንትኻ ንንጉስ ብጽባቔኡ ኽርእያኦ፡ ርሑቕ ሰፊሕ ሃገር ከኣ ክምልከታ እየን። 18ልብኻ፡ ጸሓፊ ኣበይ ኣሎ መዛኒ ኣበይ ኣሎ ግምብታት ዝቘጸረስ ኣበይ ኣሎ እናበለ ናብቲ ፍርሂ ኽሓስብ እዩ። 19ነቲ ጨካን ህዝቢ፡ ነቲ ዘይስትውዓል ጭንቂ ዝቛንቋኡ፡ ነቲ ዘይስማዕ ወታእ ዝመልሓሱ ህዝቢ ኣይክትርእዮን ኢኻ። 20ንጽዮን፡ ነታ ኸተማ በዓላትና፡ ተመልከታ፡ ኣዒንትኻ ንየሩሳሌም፡ ነታ ህድእቲ ማሕደር፡ ዘይትዛናበል ድንኳን፡ መታኽላ ንሓዋሩ ዘይምንቈስ፡ ኣግማዳ ኸኣ ከቶ ዘይብተኽ፡ ክርእያ እየን። 21ኣብኣውን እግዚኣብሄር፡ በታ ርሒብ ርባታትን ወሓይዝን ኰይኑ፡ ብግርማኡ ምሳና ክኸውን እዩ፡ ብመቕዘፍ እትምራሕ መርከብ ኣይትኣትዋን፡ ዓባይ መርከብ ከኣ ኣይትሓልፋን። 22እግዚኣብሄር ፈራዲና፡ እግዚኣብሄር ሓጋግ ሕግና እዩ፡ እግዚኣብሄር ንጉስና እዩ እሞ፡ ንሱ ኸድሕነና እዩ። 23ኣግማድካ ዘሊቑ፡ ነቲ ደቐል ኣጽኒዑ ኣየትርሮን፡ ነቲ ጋንጽላ ኣይግትሮን። ሽዑ እቲ ዘመተ ናይ ብርቱዕ ምርኮ ይምቀል፡ ሓንካሳት እኳ ምርኮ ይማርኹ። 24ካብቶም ኣብኣ ዝነብሩስ ሓደ እኳ፡ ሕማቕ እየ፡ ኣይብልን፡ እቲ ኣብኣ ዝነብር ህዝቢ ኣበሳኡ ተሓዲጉሉ እዩ።
ትን. ኢሳይያስ ምዕራፍ 34
1-2እግዚኣብሄር ኣብ ኲላቶም ኣህዛብ ኰርዩ፡ ኣብ ኲሎም ሰራዊቶም ድማ ተቘጢዑ እዩ እሞ፡ ኣቱም ኣህዛብ፡ ክትሰምዑ ቕረቡ፡ ኣቱም ህዝብታት፡ ጽን በሉ፡ ምድርን መሊእዋ ዘሎን፡ ዓለምን ካብኣ ዝወጽእ ዘበለ ዂሉን ይስማዕ፡ ንጥፍኣት መጥይዎም ንማሕረዲ ኸኣ ወፍይዎም እዩ። 3ቅቱላቶም ይድርበዩ፡ ሬሳታቶም ጺእ ይጨኑ፡ ኣኽራን ድማ ብደሞም ይመክኽ። 4ኲሉ ሰራዊት ሰማይ ይጠፍእ፡ ሰማያት ከኣ ከም ብራና ይጥቕለል፡ ኲሉ ሰራዊቱውን ከምቲ ቘጽሊ ኻብ ተኽሊ ወይኒ፡ ከምቲ ዝጸምለወ ቘጽሊ፡ ካብ ኦም በለስ ዝረግፍ፡ ክረግፍ እዩ።
5ሴፈይ ኣብ ሰማይ ሰኺሩ እዩ እሞ፡ እንሆ፡ ኣብ ኤዶም፡ ኣብቲ ህዝቢ መርገመይ፡ ንፍርዲ ኽወርድ እዩ። 6እግዚኣብሄር መስዋእቲ ኣብ ቦጽራ፡ ኣብ ሃገር ኤዶም ድማ ብዙሕ ሕሩድ ክገብር እዩ እሞ፡ ሰይፊ እግዚኣብሄር ብደም ተዓሊሱ፡ ብስብሕን ብደም ገናሽልን ወጣጡን ብስብሒ ዀላሊት ደዓውልን ከኣ ተሰቢሑ ኣሎ። 7-8መዓልቲ ሕነ እግዚኣብሄር፡ ዓመት ምፍዳይ ኢድ ብናይ ነገር ጽዮን እዩ እሞ፡ ምሳታቶም ድማ ጎባያትን ኣረውሕን ዝራብዓትን ይወድቁ፡ ሃገሮም ብደም ይሰክር፡ ሓመዶም ብስብሒ ይስባሕ ኣሎ።
9ወሓይዝ ናብ ቅጥራን፡ ሓመድ ኸኣ ናብ ዲን ክልወጥ፡ ሃገራውን ነዳዲ ቕጥራን ክኸውን እዩ። 10ምንዳዳ ለይትን መዓልትን ኣይጠፍእን፡ ትካ ንዘለኣለም ይተክኽ፡ እታ ሃገር ንውሉድ ወለዶ ትባድም፡ ንዘለኣለም ሓድ እኳ ኣይሓልፋን። 11ኣባጉምባሕን ቅንፍዝን ናቶም ይገብርዋ፡ ጒንጓን ኳዂን ይነብርዋ፡ ናይ ምብራስ ገመድ መስፈርን ናይ ምብዳም ሚዛን መለክዕን ይዝርግሓላ። 12ካብቶም ንምንጋስ ዝበቕዑ ጭዋታታ ሓደ እኳ የልቦን፡ ኲላቶም መሳፍንታ ኸኣ ምናምን ይዀኑ። 13እሾዂ ኣብ ኣዳራሻታ፡ ኣምዐን ተዀርባን ከኣ ኣብ ዕርድታታ ይበቁል፡ መሳፍሮ ወኻሩን መውዓል ሰገንን ትኸውን። 14ኣራዊት በረኻን ኣኽላባት መሮርን ኣብኣ ይራኸቡ፡ ኣጋንንቲ ኸኣ ይጻዋውዑ፡ ዛር ለይቲ ድማ ኣብኣ ይነብር፡ ቦታ ዕረፍቲውን ይረኽበላ። 15ተመን ኣብኣ ቤቱ ይገብር፡ እንቋቑሖኡ ድማ የውድቕ፡ ኣንቁሑ ንወለልዱ ኣብ ጽላሉ ይእክቦም፡ ኣብኣውን ኣሞራታት ተኣኪቦም ንሓድሕዶም ይራኸቡ።
16-17ኣብ መጽሓፍ እግዚኣብሄር ድለዩን ኣንብቡን፡ ኣፈይ እዩ ዝእዝዝ፡ መንፈሱ እዩ ዝእክቦም ዘሎ፡ ንሱ እዩ ዕጭ ዘውድቐሎም፡ ኢዱ ኸኣ እያ ብገመድ መለክዒ ንእኣ ዝመቐለትሎም እሞ፡ ንዘለኣለም ክሕዝዋ ንውሉድ ወለዶውን ክነብርዋ እዮም፡ ካብዚኣቶም ሓደ እኳ ኣይክስኣንን እዩ፡ ንብጻዩ ዝስእን የልቦን።
ትን. ኢሳይያስ ምዕራፍ 35
1በረኻን ምድረ ኣጻምእን ክሕጐሱ፡ ምድረ በዳ ኸኣ እልል ክብል፡ ከም ጽጌረዳ ድማ ክዕምብብ እዩ። 2ኣጸቢቑ ኽዕምብብ፡ ብሓጐስን ብእልልታን ባህ ክብል፡ ክብሪ ሊባኖስን ጌጽ ቀርሜሎስን ሳሮንን ክወሃቦ እዩ፡ ንኽብሪ እግዚኣብሄርን ንጌጽ ኣምላኽናን ክርእዩ እዮም። 3ነተን ዝሰነፉ ኣእዳው ኣበርትዑ፡ ነተን ወለል ዝበላ ኣብራኽ ድማ ኣደልድሉ። 4ነቶም ፈራህ ዝልቦም፡ ኣጆኹም፡ ኣይትፍርሁ፡ እንሆ፡ ኣምላኽኩም ምስ ሕነን ምስ ናይ ኣምላኽ ምፍዳይ ኢድን ክመጽእ፡ ባዕሉ ኸድሕነኩም ክመጽእ እዩ፡ በልዎም።
5ሽዑ ኣዒንቲ ዕውራት ክኽፈታ፡ ኣእዛን ጸማማት ከኣ ጋህ ክብላ እየን። 6ሽዑ ሓንካስ ከም እራብ ክሰርር፡ ልሳን እቲ ዓባስ ከኣ እልል ክብል፡ ማያት ኣብ በረኻ፡ ወሓይዝ ድማ ኣብ ምድረ በዳ ኽፍልፍል እዩ እሞ፡ 7ምድሪ ረመጨትሲ ቐላይ፡ ምድሪ ኣጻምእ ከኣ ዓይኒ ማያት ክኸውን እዩ፡ እቲ ወኻሩ መሳፍሮ ዝገብራኦ ስፍራስ መብቈል ሰትን ሰልሰላን ሻምብቆን ክኸውን እዩ።
8መገዲ ጽርግያ ኣብኣ ኽትከውን እያ፡ ቅድስቲ መገዲ ኽትበሃል እያ፡ ርኹስ ዘበለ ኣይክሓልፋን እዩ፡ ንኣታቶም ጥራይ እያ፡ እቲ ብእኣ ዝኸይድ፡ ዓሻ እኳ እንተ ዀነ፡ ኣይክጋገን፡ እዩ። 9ኣንበሳ ኣብኣ ኣይክህሉን፡ ግርጉር ኣራዊት ኣይክድይባን፡ ኣብኣውን ኣይክርከብን እዩ፡ ድሑናት ደኣ ይመላለሱላ። 10እቶም እግዚኣብሄር እተበጀዎም ክምለሱ፡ እልል እናበሉ ናብ ጽዮን ክመጹ እዮም፡ ዘለኣለማዊ ሓጐስ ከኣ ርእሶም ክኸልል እዩ፡ ደስታን ሓጐስን ክረኽቡ እዮም፡ ጓህን እህህታን ክሃድም እዩ።
ትን. ኢሳይያስ ምዕራፍ 36
1ኰነ ድማ፡ ኣብ መበል ዓሰርተው ኣርባዕተ ዓመቱ ንንጉስ ህዝቅያስ፡ ሰናክሬብ ንጉስ ኣሶር ናብተን ዕሩዳት ከተማታት ይሁዳ ዂላተን ደዪቡ ሓዘን። 2ንጉስ ኣሶር ከኣ ናብ ንጉስ ህዝቅያስ ካብ ላኪሽ ናብ የሩሳሌም ንረብሳቁ ብዙሕ ሰራዊት ኣትሒዙ ለኣኾ፡ ንሱውን ኣብ ጥቓ እቲ ላዕላይ ሓጽቢ መስኖ፡ ብመገዲ ግራት መስተይ ቀለም ደው በለ። 3ሽዑ ኤልያቂም፡ ወዲ ህልቅያ እቲ ኣዛዝ ቤትን ሸብና እቲ ጸሓፍን ዮኣህ ወዲ ኣሳፍ፡ እቲ ጸሓፍ ክብረ ነገስትን ናብኡ ወጹ።
4ረብሳቄ ኸኣ በሎም፡ ንህዝቅያስ በል፡ እቲ ዓብዪ ንጉስ፡ ንጉስ ኣሶር፡ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እዛ እትውከላ ዘሎኻ ትውክልቲ እንታይ እያ 5ንውግእስ ምኽርን ዓቕምን ኣሎኒ፡ ምባልካ ቓል ከናፍር ጥራይ እዩ፡ እብለካ ኣሎኹ፡ ካባይ እትሽፍትሲ ኣብ መን ተወኪልካ ኢኻ 6እንሆ፡ በቲ ስቡር ምርኩስ ሻምብቆ፡ ብግብጺ፡ ትውከል ኣሎኻ። ሰብ እንተ ተመርኰሶ፡ ኣብ ኢዱ ይኣቱ እሞ የንኲሎ። ፈረኦን ንጉስ ግብጺ ኸኣ ነቶም ዝውከልዎ ዂሎም ከምኡ እዩ። 7ንሕናስ ብእግዚኣብሄር ኣምላኽና ኢና እንውከል፡ እንተ በልካኒ፡ ንሱዶ ኣይኰነን፡ ህዝቅያስ ንይሁዳን ንየሩሳሌምን፡ ኣብ ቅድሚ እዚ መሰውኢ እዚ ስገዱ፡ እናበለ ንዀረቢቱን መሰውኢታቱን ዘፍረሰሉ 8እስከ እጂ ምስ ጐይታይ፡ ምስ ንጉስ ኣሶር፡ ተዋራረድ፡ ንስኻ ዝቕመጥዎም ፈረሰኛታት ክትረክብ እንተ ኽኢልካ፡ ኣነ ኽልተ ሽሕ ፈረስ ክህበካ እየ። 9ከመይ ጌርካኸ ንሓደ ፊተውራሪ ናይቶም ናእሽቱ ሓሸክር ጐይታይ፡ ገጽ ንድሕሪት ክትመልስ ትኽእል ግናኸ ብናይ ግብጺ ሰረገላታትን ፈረሰኛታትን ተወኪልካ ኣሎኻ። 10ሕጂኸ ብዘይ ፍቓድ እግዚኣብሄር ድዩ ነዛ ሃገር ከጥፍኣ ዝደየብኩ እግዚኣብሄር እዩ፡ ናብዛ ሃገር ደይብካ ኣጥፍኣያ፡ ዝበለኒ።
11ሽዑ ኤልያቂምን ሸብናን ዮኣህን ንረብሳቄ፡ ቋንቋ ሶርያ ንፈልጦ ኢና እሞ፡ ንባሮትካ ዀታ ብእኡ ተዛረበና፡ ግናኸ ኣብ ቅድሚ እቶም ኣብ ቀጽሪ ዘለው ህዝቢ ብዘረባ ይሁዳ ኣይትዛረበና፡ በልዎ። 12ረብሳቄ ግና፡ ጐይታይሲ እዘን ቃላት እዜኤን ክዛረብ ናብ ጐይታኻን ናባኻን ድዩ ዝለኣኸኒ ናብቶም ውጽኣቶም ክበልዑን ሽንቶም ክሰትዩን ምሳኻትኩም ኣብ ቀጽሪ ተቐሚጦም ዘለው ሰብኡትዶ ግዳ ኣይኰነን ዝለኣኸኒ በለ።
13ድሕርዚ ረብሳቄ ደው በለ እሞ ዓው ኢሉ ብዘረባ ይሁዳ ጨደረ በለውን፡ ዘረባ እቲ ዓብዪ ንጉስ፡ ንጉስ ኣሶር፡ ስምዑ፡ 14እቲ ንጉስ ከምዚ ይብል፡ ህዝቅያስ ከናግፈኩም ኣይኽእልን እዩ እሞ፡ ኣይጠብርኩም። 15ህዝቅያስ፡ እግዚኣብሄር ብርግጽ ከናግፈና እዩ፡ እዛ ኸተማውን ኣብ ኢድ ንጉስ ኣሶር ኣይክትወሃብን እያ፡ እናበለ ኣብ እግዚኣብሄር ኣየወከልኩም። 16-17ንጉስ ኣሶር፡ ኣነ ኽሳዕ ዝመጽእ እሞ ናብ ምድርኹም ዝመስል፡ ምድሪ እኽልን ወይንን ምድሪ እንጌራን ኣታኽልቲ ዘቢብን ክሳዕ ዘብጽሓኩም፡ ምሳይ ተዓረቑ፡ ናባይ ውጹ፡ ንፍሲ ወከፍኩም ካብ ተኽሊ ወይኑ፡ ነፍሲ ወከፍኩምውን ካብ ኦም በለሱ ይብላዕ፡ ነፍሲ ወከፍኩም ማይ ዔላኡ ይስተ፡ ይብል ኣሎ እሞ፡ ንህዝቅያስ ኣይትስምዕዎ። 18ህዝቅያስ፡ እግዚኣብሄር ከናግፈና እዩ፡ ኢሉ ኣይሕበልኩም። ሓደ ኻብቶም ኣማልኽቲ ኣህዛብሲ ንሃገሩ ኻብ ኢድ ንጉስ ኣሶር ዘናገፋዶ ኣሎ 19ኣማልኽቲ ሃማትን ኣርጳድን ኣበይ ኣለው ኣማልኽቲ ሰፈርዋይም ኣበይ ኣለው ንሰማርያስ ካብ ኢደይዶ ኣናጊፎምዋ እዮም 20ካብ ኲሎም ኣማልኽቲ እዘን ሃገራት እዚኤን ንሃገሩ ኻብ ኢደይ ዘናገፈ ኣየናይ እዩ እግዚኣብሄርከ ንየሩሳሌምዶ ኻብ ኢደይ መናገፋ 21ንሳቶም ግና ኣጽቀጡ፡ እቲ ንጉስ፡ ኣይትምለሱሉ፡ ኢሉ ኣዚዝዎም ነበረ እሞ፡ ሓንቲ ቓል እኳ ኣይመለሱሉን። 22ድሕርዚ ኤልያቂም፡ ወዲ ህልቅያ እቲ ኣዛዝ ቤትን ሸብና እቲ ጸሓፍን ዮኣህ ወዲ ኣሳፍ፡ እቲ ጸሓፍ ክብረ ነገስትን ክዳውንቶም ቀዲዶም ናብ ህዝቅያስ ኣተው፡ ቃላት ረብሳቄ ኸኣ ነገርዎ።
ትን. ኢሳይያስ ምዕራፍ 37
1ኰነ ድማ፡ ንጉስ ህዝቅያስ እዚ ምስ ሰምዐ፡ ክዳውንቱ ቐደደ፡ ከሊ ተኸዲኑ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣተወ። 2ንኤልያቂም፡ ነቲ ኣዛዝ ቤትን ንሸብና እቲ ጸሓፍን ነቶም ሽማግሌታት ካህናትን፡ ከሊ ብኽዱናቶም፡ ናብ ነብዪ ኢሳይያስ ወዲ ኣሞጽ ለኣኾም። 3ንሳቶም ከኣ በልዎ፡ ህዝቅያስ ከምዚ ይብል፡ ውሉድ ክውለዱ ቐሪቦም ኣለው፡ ንምውላድ ግና ሓይሊ ተሳኢኑ እዩ እሞ፡ እዛ መዓልቲ እዚኣ መዓልቲ ጸበባን ዘለፋን ጸርፍን እያ። 4ምናልባሽ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ነተን ቃላት ናይቲ ንህያው ኣምላኽ ክጸርፍ ኢሉ ጐይታኡ፡ ንጉስ ኣሶር፡ ዝለኣኾ ረብሳቄ ሰሚዑ ይህሉ፡ ስለ እዘን እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝሰምዐን ቃላት ከኣ ክቐጽዖ እዩ። ስለዚ ነቲ ተሪፉ ዘሎ ተረፍሲ ጸሎት ኣዕርግ።
5እቶም ኣገልገልቲ ንጉስ ህዝቅያስ ከኣ ናብ ኢሳይያስ መጹ። 6ኢሳይያስ ድማ በሎም፡ ንጐይታኹም ከምዚ በልዎ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል፡ በተን ሓሽከር ንጉስ ኣሶር ንኣይ ዝጸረፉለን ንስኻውን ዝሰማዕካየን ቃላት ኣይትፍራህ። 7እንሆ፡ ኣነ መንፈስ ክሰደሉ እየ፡ ወረ ሰሚዑ ኸኣ ናብ ሃገሩ ኽምለስ እዩ፡ ኣብ ሃገሩውን ብሰይፊ ኸውድቖ እየ።
8ሽዑ ረብሳቄ ተመልሰ፡ ንጉስ ኣሶር ካብላኪሽ ከም ዝነቐለ ሰሚዑ ነበረ እሞ፡ ንሊብና ኽዋግኣ ኸሎ ረኸቦ። 9ብዛዕባ ቲርሃቃ ንጉስ ኢትዮጵያ፡ ክዋግኣካ ወጺኡ ኣሎ፡ ዝብል ወረ ሰምዐ። እዚ ምስ ሰምዐ ኸኣ፡ ከምዚ ዝብሉ ልኡኻት ናብ ህዝቅያስ ለኣኸ፡ 10ንህዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ ከምዚ በልዎ፡ እቲ እትውከሎ ዘሎኻ ኣምላኽካ፡ የሩሳሌም ናብ ኢድ ንጉስ ኣሶር ኣይክትውሃብን እያ ብምባሉ ኣየስሕትካ። 11እንሆ፡ ነገስታት ኣሶር ንዂለን ሃገራት ዝገበርወን ሰሚዕካ ኣሎኻ፡ ንብዘለዋ ኣጥፊኦምወን እዮም እሞ ንስኻ ዲኻ እትናገፍ 12ነቶማ ኣቦታተይ ዘጥፍእዎም ኣህዛብ፡ እኒጎዛንን ሃራንን ሬጽፍን እቶም ኣብ ቴላሳር ዝነበሩ ደቂ ኤደንን፡ ኣማልኽቶምንዶ ኣናጊፎምዎም እዮም 13ንጉስ ሃማትን ንጉስ ኣርጳድን ንጉስ ከተማ ሰፈርዋይምን ናይ ሃናእን ናይ ኢዋህን ኣበይ ኣለው 14ህዝቅያስ ከኣ ነታ ደብዳበ ኻብ ኢድ እቶም ልኡኻት ተቐቢሉ ኣንበባ፡ ህዝቅያስ ድማ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ደየበ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዘርግሓ። 15ህዝቅያስ ከኣ ከምዚ ኢሉ ናብ እግዚኣብሄር ጸለየ፡ 16ዎ እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ ኣብ ኪሩቤል ተቐሚጥካ ዘሎኻ፡ ኣምላኽ ኲለን መንግስትታት ምድሪ ንስኻ በይንኻ ኢኻ፡ ንስኻ ኢኻ ሰማይን ምድርን ዝገበርካ። 17ዎ እግዚኣብሄር፡ እዝንኻ ጽሎ እሞ ስማዕ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ኣዒንትኻ ኽፈት እሞ ርእ፡ ነተን ንህያው ኣምላኽ ክጸርፍ ኢሉ ዝለኣኸን ኲለን ቃላት ሰናክሬብ ስማዕ። 18ዎ እግዚኣብሄር፡ እቶም ነገስታት ኣሶር ንዂለን ሃገራትን ምድሮምን ከም ዘዕነውስ፡ ሓቂ እዩ። 19ንኣማልኽቶም ድማ ናብ ሓዊ ደርብይዎም፡ ስራሕ ኢድ ሰብ፡ ዕጭን እምንን እዮም እምበር፡ ኣማልኽቲ ኣይኰኑን፡ ስለዚ ኣጥፍእዎም። 20ሕጂ ግና፡ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽና፡ ኲለን መንግስትታት ምድሪ ንስኻ በይንኻ እግዚኣብሄር ምዃንካ ምእንቲ ኽፈልጣ፡ ካብ ኢዱ ኣድሕነና።
21ሽዑ ኢሳይያስ ወዲ ኣሞጽ ናብ ህዝቅያስ ከምዚ ኢሉ ለኣኸ፡ እግዚኣብሄር፡ ኣምላኽ እስራኤል፡ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ነቲ ብናይ ሰናክሬብ ንጉስ ኣሶር ዝለመንካኒ፡ 22እግዚኣብሄር ብዛዕባኡ ዝብሎ ቓል እዚ እዩ፡
እታ ድንግል ጓል ጽዮን ትንዕቀካን ተላግጸልካን ኣላ፡ ጓል የሩሳሌም ብድሕሬኻ ርእሳ ትንቕንቐልካ ኣላ። 23ንመን ኣባጮኻን ጸረፍካን ድምጽኻኸ ኣብ ልዕሊ መን ኣልዓልካ በዒንትኻስ ንመን ኣፋጠጥካሉ ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ኢኻ። 24ብሓሸክርካ ጌርካ ንእግዚኣብሄር ከምዚ ኢልካ ጸረፍካዮ፡ ብብዝሒ ሰረገላታተይ ናብ ርእሲ ኣኽራን፡ ኣብ ዓቐበት ሊባኖስ ደይበ፡ ነቲ ጸጽቡቕ ኣጽሕዱን ነነዋሕቲ ኣእዋሙን ክቘርጾ እየ፡ ናብቲ ላዕላይ ጫፍን ናብቲ ዕሙር ዱሩን ክበጽሕ እየ። 25ኲዒተ ማይ ሰቴኹ፡ ብኸብዲ ኣእጋረይ ንዂሉ ርባታት ግብጺ ኸንጽፎ እየ። 26ነዚ ኻብ ቀደም ከም ዘዳሎኽዎ፡ ካብ ጥንቲ ኸኣ ከም ዝደኰንክዎ፡ ኣይሰማዕካን ዲኻ ሕጂውን ክፍጽሞ እየ፡ ንስኻ ነተን ዕሩዳት ከተማታት ኣፍሪስካ ኲምራ ዖናታት ክትገብረን ኢኻ። 27እቶም ኣብእን ዝነብሩ ሰነፋን ሰምበዱን ሓፈሩን፡ ከም ሳዕሪ መሮርን ከም ልሙዕ ቈጽልን ከም ሳዕሪ ናሕስን ከምቲ ኸይበቘለ ዝሃጕጒ ዘርእን ኰነ። 28ኣነ ግና ምቕማጥካን ምውጻእካን ምእታውካን ኣብ ልዕለይ ምንዳርካን እፈልጥ ኣሎኹ። 29ኣብ ልዕለይ ስለ ዝነደርካ ድፍረትካውን ኣብ ኣእዛነይ ስለ ዝበጽሐ፡ ስለዚ ኣብ ኣፍንጫኻ ሳንቀይ፡ ኣብ ኣፍካ ድማ ልጓመይ ክገብር እየ፡ በታ ዝመጻእካላ መገዲውን ክመልሰካ እየ።
30እዚ ኸኣ ምልክት ይኹነልካ፡ ሎምዘመን ካብቲ ባዕሉ ዝበቘለ ቐሪም፡ ንዓመታ ኸኣ ባልጋ ኽትበልዑ ኢኹም፡ ኣብታ ሳልሰይቲ ዓመት ድማ ክትዘርኡን ክትዓጽዱን ኣታኽልቲ ወይኒ ኽትተኽሉን ኢኹም እሞ ፍሪኡ ኽትበልዑ ኢኹም። 31-32ተረፍ ካብ የሩሳሌም፡ እቶም ድሑናት ከኣ ካብ ከረን ጽዮን ክወጹ እዮም እሞ፡ እቲ ኻብ ቤት ይሁዳ ዝደሓነ ተረፍ ከም ብሓድሽ ንታሕቲ ሱር ክሰድድ፡ ኣብ ላዕሊ ድማ ፍረ ኽፈሪ እዩ። ቅንኣት እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት እዚ ኽገብር እዩ። 33ስለዚ ብዛዕባ ንጉስ ኣሶርሲ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል፡ ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ኣይክኣቱን፡ ፍላጻ ኸኣ ኣይክውርውረላን፡ ብዋልታ መኪቱ ኣይክቐርባን፡ ብቐጽሪውን ኣይክኸባን እዩ። 34-35ምእንቲ ርእሰይን ምእንቲ ዳዊት ባርያይን ኢለ ነዛ ኸተማ እዚኣ ኸድሕናስ ክከላኸለላ እየ እሞ፡ በታ ዝመጸላ መገዲ ኽምለስ፡ ናብዛ ኸተማ እዚኣውን ኣይክኣቱን እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
36መልኣኽ እግዚኣብሄር ወጺኡ ኣብ ሰፈር ኣሶራውያን ሚእትን ሰማይናይ ሓሙሽተን ሽሕ ሰብኣይ ወቕዐ። ንጽብሒቱ ኣንጊሆም ምስ ተንስኡ፡ እንሆ፡ ኣብ ኲሉ ስፍራ ሬሳታት ጸንሕዎም። 37ሰናክሬብ ንጉስ ኣሶር ድማ ነቒሉ ኸደ፡ ናብ ነነዌ ተመሊሱ ኸኣ ተቐመጠ። 38ኰነ ድማ፡ ኣብ ቤት ኒስሮክ ኣምላኹ ኽሰግድ ከሎ፡ ደቁ ኣድረሜሌክን ሳሬጽን ብሰይፊ ቐተልዎ፡ ናብ ምድሪ ኣራራት ከኣ ሃደሙ፡ ኤሳር ሃዶን ወዱ ድማ ኣብ ክንዳኡ ነገሰ።
ትን. ኢሳይያስ ምዕራፍ 38
1በቲ ዘመን እቲ ህዝቅያስ ንሞት ክሳዕ ዝዋላእ ሓመመ። ነብዪ ኢሳይያስ ወዲ ኣሞጽ ከኣ ናብኡ መጺኡ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ክትመውት ኢኻ እምበር፡ ኣይክትሓውን ኢኻ እሞ፡ ብናይ ሓዳርካ ተላቦ፡ በሎ። 2-3ሽዑ ህዝቅያስ ገጹ ናብ መንደቕ መሊሱ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ዑቑባኻ፡ ብሓቅን ብፍጹም ልብን ኣብ ቅድሚ ገጽካ ኸም እተመላለስኩን፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኻ ሰናይ ከም ዝገበርኩን ዘክር፡ ኢሉ ናብ እግዚኣብሄር ጸለየ። ህዝቅያስ ድማ መሪር ብኽያት በኸየ። 4ሽዑ ኸምዚ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ኢሳይያስ መጸ፡ 5ኪድ እሞ ንህዝቅያስ ንገሮ፡ እግዚኣብሄር፡ ኣምላኽ ዳዊት ኣቦኻ፡ ጸሎትካ ሰሚዐ፡ ንብዓትካ ርእየ፡ እንሆ፡ ኣብ ዕድሜኻ ዓሰርተው ሓሙሽተ ዓመት ክውስኸልካ እየ። 6ንኣኻን ነዛ ኸተማ እዚኣን ካብ ኢድ ንጉስ ኣሶር ከናግፈኩም እየ፡ ነዛ ኸተማውን ክከላኸለላ እየ፡ ይብል ኣሎ። 7እግዚኣብሄር ነዚ ዝበሎ ቓል ከም ዝፍጽሞ፡ እዚ ኻብ እግዚኣብሄር ምልክት ይዂንካ፡ 8እንሆ፡ ነቲ ብምኽንያት ጸሓይ ኣብታ ናይ ኣካዝ መድረኽ ዝወረደ ጽላሎት መድረኽሲ ዓሰርተ መድረኽ ንድሕሪት ኣቢለ ኽመልሶ እየ። ጸሓይ ከኣ በቲ ዝወረደቶ መድረኽ ዓሰርተ መድረኽ ንድሕሪት ኣቢላ ተመልሰት።
9ህዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ፡ ሓሚሙ ነይሩ ምስ ሓወየ፡ ዝጸሓፎ ጽሕፈት፡
10ኣነስ፡ ኣብቲ ጣዕሚ ዕድመይ ከሎኹ፡ ናብ ደጌታት ሲኦል እኸይድ፡ ነተን ዝተረፋ ዓመታተይ እስእነን ኣሎኹ፡ በልኩ። 11ደጊም ንእግዚኣብሄር፡ ኣብ ምድሪ ህያዋን ንእግዚኣብሄር ኣይክርእዮን እየ፡ ምስቶም ኣብ ሲኦል ዘለው ሰብ ኰይነ፡ መሊሰ ሰብ ኣይክርእን እየ፡ በልኩ። 12ማሕደረይ ፈረሰት፡ ከም ድንኳን ጓሳ ኸኣ ካባይ ጐዓዘት፡ ንህይወተይ ከም ኣላማይ ጠቕሊለያ ኣሎኹ፡ ንሱውን ካብ መዋጥር ክቘርጸኒ እዩ፡ ምድሪ ኸይመሰየ ትጥርሰኒ። 13ክሳዕ ዝወግሕ ሃዳእኩ፡ ንሱ ግና ከም ኣንበሳ ንዂሉ ዓጻጽምተይ ሰባበሮ። ምድሪ ኸይመሰየ ትጥርሰኒ። 14ከም ለዃዂቶ፡ ከም ራዛ ጭቑጭቑ በልኩ፡ ከም ርግቢ ቘዘምኩ፡ ኣዒንተይ ላዕሊ ብምጥማት ተሓለላ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ እጭነቕ ኣሎኹ፡ ዋሕሰይ ኩን።
15እንታይ እሞ ኽብል ንሱ ተዛሪቡኒ ኣሎ፡ ንሱ ኸኣ ገበሮ። ብዛዕባ ምረት ነፍሰይ ብዂለን ዓመታተይ ብህድኣት ክመላለስ እየ። 16ዎ እግዚኣብሄር፡ ሰብ በዚ ኸምዚ እዩ ብህይወት ዝነብር፡ ህይወት መንፈሰይ ከኣ በዚ ዂሉ እዩ። እምበኣርሲ ኣሕውየኒ ህይወትውን ምለሰለይ። 17እንሆ፡ እዚ ዓብዪ ምረት ንሰላመይ ኰነ፡ ንስኻ ንዂሉ ሓጢኣተይ ናብ ድሕሪ ዝባንካ ደርቢኻዮ ኢኻ እሞ፡ ንነፍሰይ ኣፍቂርካ ኻብ ጒድጓድ ጥፍኣት ኣናገፍካያ። 18ሲኦል ኣየመስግነካን፡ ሞት ኣይውድሰካን፡ እቶም ናብ ጒድጓድ ዝወርዱ ብሓቅኻ ተስፋ ኣይገብሩን እዮም እሞ፡ 19እቲ ህያው፡ እቲ ህያው፡ ከምዚ ኣነ ሎሚ ዝገብሮ ዘሎኹ፡ የመስግነካ፡ ኣቦ ንውሉዱ ሓቅኻ ኸፍልጦም እዩ። 20እግዚኣብሄር እዩ ዘድሓነኒ፡ ስለዚ ብመዓልትታት ህይወትና ዂሉ ኣብ ቤት ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ንመዛሙረይ ብመሰንቆ ኽንዝምሮ ኢና።
21ኢሳይያስ ግና፡ ጽባጥ በለስ ገይሮም፡ ነቲ ዝሓበጠ ይለብጥዎ እሞ ክሓዊ እዩ፡ ኢሉ ነበረ። 22ህዝቅያስ ድማ፡ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ክድይብሲ ምልክቱ እንታይ እዩ በለ።
ትን. ኢሳይያስ ምዕራፍ 39
1በታ ግዜ እቲኣ መሮዳክ በላዳን፡ ወዲ በላዳን ንጉስ ባቢሎን፡ ህዝቅያስ ሓሚሙ ኸም ዝሓወየ ሰሚዑ ነበረ እሞ፡ ደብዳበን ገጽ በረኸትን ሰደደሉ። 2ህዝቅያስ ድማ ብኣታቶም ተሓጐሰ እሞ ነቲ ቤት መዝገቡ፡ ንብሩርን ወርቅን ቅዲትን ነቲ ኽቡር ዘይትታትን ንዂሉ ቤት መሳርያኡን ነቲ ኣብ መዝገቡ ዝጸንሐ ዂሉን ኣርኣዮም። ኣብ ቤቱን ኣብ መንግስቱን ዂሉን ህዝቅያስ ዘየርኣዮም ሓንቲ እኳ ኣይተረፈትን።
3ሽዑ ነብዪ ኢሳይያስ ናብ ንጉስ ህዝቅያስ መጺኡ፡ እዞም ሰባት እንታይ በሉ ካበይከ ናባኻ መጹ በሎ። ህዝቅያስ ድማ፡ ካብ ርሑቕ ሃገር፡ ካብ ባቢሎን ናባይ ዝመጹ እዮም፡ በለ። 4ንሱ ኸኣ፡ ኣብ ቤትካኸ እንታይ ረኣዩ ኢሉ ሓተተ። ህዝቅያስ ድማ፡ ኣብ ቤተይ ዘሎ ዂሉ ርእዮም፡ ካብቲ ኣብ መዛግበይ ዘሎ ዂሉ ሓንቲ እኳ ዘየርእኽዎም የልቦን፡ ኢሉ መለሰ።
5ሽዑ ኢሳይያስ ንህዝቅያስ በሎ፡ ንቓል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ስምዓዮ፡ 6እንሆ፡ ነቲ ኣቦታትካ ኽሳዕ ሎሚ ዝኣከብዎ ኣብ ቤትካ ዘሎ ዂሉ፡ ሓንቲ እኳ ኸይተረፈት፡ ናብ ባቢሎን ዝወስዱለን መዓልትታት ክመጻ እየን፡ ይብል እግዚኣብሄር። 7ነቶም ካባኻ ዝወጹ እትወልዶም ኣወዳትካ ኸኣ ክወስድዎም እዮም እሞ፡ ኣብ ኣዳራሽ ንጉስ ባቢሎን ውሽጠ ሓሽከር ክዀኑ እዮም። 8ህዝቅያስ ከኣ ንኢሳይያስ፡ እቲ እተዛረብካዮ ቓል እግዚኣብሄር ጽቡቕ እዩ፡ በሎ። ደጊሙ ኸኣ፡ ብዘመነይሲ ሰላምን ደሓንን ደኣ ይኸውን፡ በለ።
ትን. ኢሳይያስ ምዕራፍ 40
1ንህዝበይ ኣጸናንዑ፡ ኣጸናንዑ፡ ይብል ኣምላኽኩም። 2ንልቢ የሩሳሌም ተዛረቡ፡ ጸበባኣ ኸም እተፈጸመ፡ ኣበሳኣ ኸም እተሓድገላ፡ ስለ ዂሉ ሓጢኣታ ድማ ካብ ኢድ እግዚኣብሄር ካዕበት ከም ዝረኸበት ኣውጁ።
3ድምጺ ኣዋጂ ይኣውጅ፡ መገዲ እግዚኣብሄር ኣብ በረኻ ኣዳልው፡ ኣብ ምድሪ ኣጻምእ ከኣ ንኣምላኽና ጽርግያ ኣቕንዑ። 4ሽንጭሮ ዘበለ ልዕል ይበል፡ ኲሉ ኣኽራንን በረኽትን ድማ ለጠቕ ይበል፡ ቄናን ይቕናዕ ድንጒር ከኣ ሰጥ ዝበለ ስፍራ ይኹን። 5ኣፍ እግዚኣብሄር ተዛሪቡ እዩ እሞ፡ ክብሪ እግዚኣብሄር ክግለጽ፡ ኲሉ ስጋ ኸኣ ሓቢሩ ኽርእዮ እዩ። 6ድምጺ፡ ኣውጅ፡ ይብል። ሓደ ኸኣ፡ እንታይ ኢለ ኽእውጅ በለ። ስጋ ዘበለ ዂሉ ሳዕሪ እዩ፡ ኲሉ ኽብሩ ኸኣ ከም ዕምባባ መሮር እዩ። 7ትንፋስ እግዚኣብሄር ነፊስዎ እዩ እሞ፡ ሳዕሪ ይነቅጽ፡ ዕምባባ ይቕምስል። ብሓቂ እቲ ህዝቢ ሳዕሪ እዩ። 8ሳዕሪ ይነቅጽ፡ ዕምባባ ይቕምስል፡ ቃል ኣምላኽና ግና ንዘለኣለም ይነብር።
9ኣቲ ብስራት እተበስሪ ጽዮን፡ ናብ ነዊሕ ከረን ደይቢ፡ ኣቲ ብስራት እተበስሪ የሩሳሌም፡ ድምጽኺ ብሓይሊ ዓው ኣብሊ፡ ብዘይ ፍርሃት ዓው በሊ፡ ንኸተማታት ይሁዳ፡ እንሆ ኣምላኽኩም፡ ኢልኪ ንገሪ። 10እንሆ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ብሓይሊ ይመጽእ፡ ብቕልጽሙ ድማ ይገዝእ። እንሆ፡ ዓስቡ ምስኡ ኣሎ፡ ካሕሳኡ ኸኣ ቀቅድሚኡ ይኸይድ። 11ንመጓሲኡ ኸም ጓሳ ኸውፍር፡ ንዕያውቱ ኣብ ቅልጽሙ ኽእክብ ኣብ ሕቑፉ ኸኣ ክስከሞም፡ ነተን ዘጥብዋ ድማ ብህድኣት ክመርሐን እዩ።
12ንማያት ብኢዱ ዓሚኹ ዘሰፈረ፡ ንሰማያት ከኣ በጻብዑ ዝሰደረ መን እዩ ንሓመድ ምድሪ ኣብ ሚዛን ዝኣከበ፡ ነኽራን ብሚዛን፡ ንዀረቢት ድማ ብነጥሪ ዝመዘነኸ መን እዩ 13ንመንፈስ እግዚኣብሄር ዝመርመረ፡ ወይስ መኻሪኡ ዀይኑ ዝመሃሮኸ መን እዩ 14ምስ መን ተማኸረ ኣእምሮ ዝሃቦ፡ እቲ ቅኑዕ መገዲ ኸኣ ዝመሃሮ፡ ፍልጠት ዘፍለጦ፡ መገዲ ምስትውዓል ድማ ዘርኣዮኸ መን እዩ 15እንሆ፡ ኣህዛብ ከም ሓንቲ ነጥቢ ኣብ ዕትሮ፡ ከም ሓንቲ በሰር ኣብ ሚዛን ይቑጾሩ፡ እንሆ፡ ንደሴታት ከም ተጐጓ የልዕል። 16ሊባኖስ ንምንዳድ ኣይኣክልን፡ እንስሳኡውን ንመስዋእቲ ምሕራር ኣይኣክልን። 17ኲሎም ኣህዛብ ኣብ ቅድሚኡ ኸም ሓደ ግዛዕ ኣይረኣዩን፡ ሓንቲ ኸም ዘይልቦ፡ ከም ከንቱነት ገይሩ ይቘጽሮም። 18እምበኣርሲ ንኣምላኽ ምስ መን ተማሳስልዎ ምስ ኣየናይ መልክዕከ ኸተመዓራርይዎ ኢኹም 19ገባር ምስሊ ፍሲ ገይሩ ጣኦት ይገብር፡ ኣምካኺ ድማ ብወርቂ ይልብጦ፡ ብሰንሰለት ብሩር ከኣ ይስልሞ። 20እቲ ኽሳዕ ክንድዚ ኽስውእ ዓቕሚ ዘይብሉ ድኻስ ዘይቁንቁን ዕጨይቲ ይሓሪ፡ ዘይነቓነቕ ምስሊ ዝገብረሉ ኸኣሊ ድማ ይደሊ። 21ኣእምሮ የብልኩምን እኳዶ ኣይትሰምዑን ኢኹም ካብ ጥንቲዶ እዚ ኣይተዘንተወልኩምን መሰረታት ምድሪ ዝነግርዎዶኸ ኣየስተውዓልኩምን ኢኹም 22ንሱ እዩ ኣብ ልዕሊ እታ ኸባብ ምድሪ ዝቕመጥ፡ እቶም ኣብኣ ዝነብሩ ኸኣ ከም ኣንበጣ እዮም፡ ንሰማያት ከም ጋንጽላ ዘስጥሖ፡ መሕደሪ ክኸውን ድማ ከም ድንኳን ዝገብሮ ንሱ እዩ። 23ንመሳፍንቲ ገለ እኳ ኸም ዘይኰኑ፡ ንፈራዶ ምድሪ ኸም ምናምን ዝገብሮም ንሱ እዩ። 24ብኡብኡ ሱር ኣብ ምድሪ ምስ ሰደዱ፡ ንሱ ኡፍ ይብለሎም እሞ ይነቕጹ፡ ዘራጊቶ ኸኣ ከም ብቑቡቑ ይወስዶም። 25ክመዓራረዮስ፡ ምስ መን ከተማሳስሉኒ ኢኹም ይብል እቲ ቅዱስ። 26ኣዒንትኹም ናብ ላዕሊ ቋሕ ኣቢልኩም ርኣዩ፡ ነዚ ዝፈጠሮ መን እዩ እቲ ንሰራዊቶም ብፍቕዲ ዘውጽኦ፡ በብስሞም ዝጽውዖም እዩ፡ ካብ ዕቤት ምልኩን ካብ ብርትዐ ሓይሉን እተላዕለ ሓደ እኳ ኣይተርፍን።
27ኣታ ያእቆብ፡ ከመይ ደኣ ኸምዚ ትብል፡ ኣታ እስራኤልሲ፡ ከመይ ኢልካ ኢኻ፡ መገደይ ካብ እግዚኣብሄር ሕብእቲ እያ፡ ፍርደይ ከኣ ካብ ኣምላኸይ ሓሊፉ እዩ፡ ኢልካ ትዛረብ 28እቲ ንወሰናት ምድሪ ዝፈጠረ እግዚኣብሄር ዘለኣለማዊ ኣምላኽ ከም ዝዀነ፡ ከም ዘይደክምን ከም ዘይሕለልን፡ ኣእምሮኡ ኸም ዘይምርመርን፡ ኣይትፈልጥንዶ ኣይሰማዕካንዶኸ ኢኻ 29ንድኹም ሓይሊ ይህብ፡ ንስኑፍ ከኣ ብርታዐ ይውስኽ። 30ኣጒባዝ ይደኽሙን ይሕለሉን፡ ኣባጽሕ ድማ ሰንከልከል ኢሎም ይወድቁ፡ 31እቶም ንእግዚኣብሄር ዝጽበዩ ግና ሓይሎም ይሕደስ። ከም ንስሪ በኽናፍ ይድይቡ፡ ይጐዩ እሞ ኣይሕለሉን፡ ይኸዱ እሞ ኣይደኽሙን።
ትን. ኢሳይያስ ምዕራፍ 41
1ኣትን ደሴታት፡ ኣብ ቅድመይ ስቕ በላ፡ ህዝብታት ከኣ ሓድሽ ሓይሊ ይወስኹ፡ ይቕረቡ እሞ ሽዑ ይዛረቡ፡ ንዑ ሓቢርና ናብ ፍርዲ ንቕረብ። 2ነቲ ብጽድቂ ናብ እግሩ ዝጸውዖ መን እዩ ኻብ ምብራቕ ዘተንስኦ፡ ንህዝብታት ኣብ ቅድሚኡ ኣሕሊፉ ሃቦ፡ ኣብ ልዕሊ ነገስታት ከኣ ኣግዝኦ፡ ንሴፎም ከም ተጐጓ፡ ንመንትጎም ከምቲ ንፋስ ዝብትኖ ብቑቡቑ ገበሮ። 3ሰጒጒዎም፡ በታ ኣእጋሩ ከቶ ዘይረገጻኣ መገዲ ብደሓኑ ይሓልፍ ኣሎ። 4ነዚ ዝሰርሖን ዝገበሮን መን እዩ እቲ ንወለዶታት ካብ ጥንቲ ዝጸውዐ ኣነ እየ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ቀዳማይን ምስቶም ዳሕሮት ዘሎን እየ። 5ደሴታት ርእየን ፈርሃ፡ ወሰናት ምድሪ ራዕራዕ በሉ፡ ቀረቡ መጹ ኸኣ። ኣጆኻ፡ በለ። 6ነፍሲ ወከፍ ንብጻዩ ደገፈ፡ ንሓው ኸኣ፡ ኣጆኻ፡ በለ። 7ጸራቢ ነቲ ኣምካኽ ፍሲ የፋጥኖ፡ በያዲ ኸኣ ነቲ ኣብ ወጻቓ ዝቕጥቅጥ ብናይ ምጥባቑ፡ ጽቡቕ እዩ፡ እናበለ የፋጥኖ፡ ከይናቓነቕ ከኣ ብሽንካር የጽንዖ።
8ግናኸ፡ ኣታ እስራኤል ባርያይ፡ ኣታ ያእቆብ፡ ዝሓሬኹኻ ዘርኢ ኣብርሃም ፈታውየይ፡ 9ኣታ ኻብ ወሰናት ምድሪ ዘምጻእኩኻ፡ ካብቲ ኣዝዩ ርሑቕ ጸዊዐ፡ ባርያይ ኢኻ፡ ሓሬኹኻ ኣይነዓቕኩኻን ድማ፡ ዝበልኩኻ። 10ምሳኻ እየ እሞ፡ ኣይትፍራህ፡ ኣነ ኣምላኽካ እየ እሞ፡ ኣይትሸበር፡ ከበርትዓካ፡ ክረድኣካ፡ ብየማነይቲ ኢድ ጽድቀይውን ክድግፈካ እየ። 11እንሆ፡ እቶም ኣባኻ ዝንድሩ ዂሎም ክንውሩ ክሓፍሩን እዮም፡ መጻርርትኻ ድማ ከም ዘይነበሩ ክዀኑን ክጠፍኡን እዮም። 12-13ኣነ ንየማነይቲ ኢድካ ዝሕዝ፡ ኣይትፍራህ፡ ክድግፈካ እየ፡ ዝብል እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ እሞ፡ ነቶም ዝወዳደሩኻ ኽትደልዮም ኣይክትረኽቦምን ከኣ ኢኻ፡ እቶም ዝዋግኡኻ ድማ ከንቱን ከም ገለ ዘይነበረን ክዀኑ እዮም። 14ኣታ ሓሰኻ ያእቆብ፡ ኣቱም ሰብ እስራኤል፡ ኣነ እየ ዝድግፈካ፡ ኣይትፍራህ፡ ተበጃዊኻ ድማ ናይ እስራኤል ቅዱስ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር። 15እንሆ፡ በሊሕ ዘስናኑ ሓድሽ ሰረገላ መኸዳ ኽገብረካ እየ፡ ነኽራን ክሳዕ ዝድቈሱ ኸተኺዶም፡ ንዀረቢት ከኣ ከም ብቑቡቑ ክትገብሮም ኢኻ። 16ክትምስእዮም ኢኻ፡ ንፋስ ከኣ ክወስዶም፡ ህቦብላውን ክዘርዎም እዩ። ንስኻ ግና ብእግዚኣብሄር ክትሕጐስ፡ በቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ድማ ክትሕበን ኢኻ። 17ሽጉራትን ድኻታትን ማይ ይደልዩ እሞ የልቦን፡ ልሳኖም ብጽምኢ ነቐጸ፡ ግናኸ ኣነ እግዚኣብሄር ክሰምዖም፡ ኣነ ኣምላኽ እስራኤል ኣይክሓድጎምን እየ። 18ውሒዝ ኣብቶም መላጣት ኰረቢት፡ ዓይኒ ማያት ከኣ ኣብ ማእከል ሽንጭሮታት ከውሕዝ እየ፡ ንጸምጸም በረኻስ ማይ ዝመልኦ ቐላይ፡ ንምድሪ ኣጻምእ ከኣ ፈልፋሊ ኽገብሮ እየ። 19-20ኢድ እግዚኣብሄር እዚ ኸም ዝገበረት፡ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ከኣ ከም ዝፈጠሮ ምእንቲ ኽርእዩን ክፈልጡን ክሓስቡን ሓቢሮም ከስተውዕሉንሲ፡ ኣብ በረኻ ንኦም ሊባኖስን መመናን ጸጾን ኣውልዕን ከብቁል፡ ኣብቲ ኣጻምእ ከኣ ጽሕድን ሙዝን ዝበን ኣሕቢረ ኽተክል እየ።
21ክስኹም ንገሩ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ መርትዖኹም ኣምጽኡ፡ ይብል እቲ ንጉስ ያእቆብ። 22ይንገሩ፡ እስኪ ነቲ ዝመጽእ ይግለጹልና፡ ነቲ ናይ ቀደም ባህልኹም፡ ምእንቲ ኽንሓስቦ ፍጻሜኡ ኸኣ ክንፈልጥሲ፡ እስኪ ንገሩና፡ ወይስ ነቲ ዝመጽእ ኣስምዑና። 23ኣማልኽቲ ምዃንኩም ምእንቲ ኽንፈልጥ፡ ነቲ ድሕሪ ሕጂ ዝኸውን ንገሩና። ርኢናስ ሓቢርና ምእንቲ ኽንግረመሉ ኸኣ፡ እስኪ ጽቡቕ ወይስ ክፋእ ግበሩ። 24እንሆ፡ ንስኻትኩም ከንቱ ኢኹም፡ ተግባርኩም ከኣ ብላሽ እዩ፡ እቲ ዝሓርየኩም ድማ ፍንፋን እዩ።
25ካብ ሰሜን ኣተንሳእክዎ እሞ መጸ፡ ካብ ምብራቕ ጸሓይ ከኣ፡ ንሱውን ንሰማይ ይጽውዖ፡ ከምቲ ሰራሕ መሬት ንጭቃ ዝረግጾ፡ ንሱ ኸኣ ንመሳፍንቲ ኸም መሬት ይረግጾም። 26ምእንቲ ኽንፈልጦን ንስኻ ጻድቕ ኢኻ ኽንብልንሲ፡ ካብ ጥንቲ ኣቐዲሙ እዚ ዝነገረ መን እዩ ዝነግር የልቦን፡ ዘስምዓና የልቦን፡ ቃልኩም ዝሰምዕ ከኣ የልቦን። 27ቅድሚ ዂሉ ንጽዮን፡ እነውልኪ እቲኣቶም እዮም፡ ዝብል ንየሩሳሌም ከኣ ዘበስር ኣነ እየ። 28እንተ ጠመትኩ፡ ሓደ እኳ የልቦን፡ እንተ ሓተትክዎም ድማ፡ ካብቶም መኻሮ ምላሽ ክህብ ዝኽእል ሓደ እኳ የልቦን። 29እንሆ፡ ኲላቶም ከንቱነት እዮም፡ ተግባሮም ከኣ ምናምን እዩ፡ እቲ ናይ ፍሲ ምስልታቶም ድማ ንፋስን ባዶን እዩ።
ትን. ኢሳይያስ ምዕራፍ 42
1እንሆ፡ ዝድግፎ ባርያይ፡ ሕሩየይ፡ ነፍሰይ ብእኡ ባህ ዝብላ፡ መንፈሰይ ኣብ ልዕሊኡ ኣሕዲረ ኣሎኹ፡ ንሱ ነህዛብ ፍትሒ ኸውጽኣሎም እዩ። 2ኣይክጭድርን፡ ድምጹ ዓው ኣቢሉ ኸኣ ኣብ ኣደባባይ ኣይከስምዕን እዩ። 3ጭፍሉቕ ሻምብቆ ኣይክሰብርን፡ ተኻኺ ጥዋፍ ድማ ኣይከጥፍእን እዩ፡ ፍትሒ ብሓቂ የውጽእ። 4ፍትሒ ኣብ ምድሪ ኽሳዕ ዝምስርት፡ ሓይሉ ኣይሓምቕን ኣይሕለልን ደሴታት ከኣ ሕጉ ኽጽበያ እየን።
5እቲ ንሰማያት ዝፈጠሮም ዝገተሮን፡ ንምድርን ንሳ እተብቁሎን ዝዘርግሐ፡ ነቲ ኣብኣ ዘሎ ህዝቢ ኸኣ ትንፋስ ዝሃበ፡ ነቶም ኣብኣ ዝመላለሱ ድማ መንፈስ ዝሃበ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል፡ 6-7ኣዒንቲ ዕውራት ምእንቲ ኽትከፍት፡ ንእሱራት ካብ ቤት ማእሰርቲ፡ ነቶም ኣብ ጸልማት ዝነብሩ ኸኣ ካብ ማእሰርቶም ምእንቲ ኸተውጽኦምስ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ብጽድቂ ጻዋዕኩኻ፡ ብኢድካ ኽሕዘካን ክሕልወካን ኪዳን ህዝቢ፡ ብርሃን ኣህዛብ ክገብረካን እየ። 8ኣነ እግዚኣብሄር እየ፡ ስመይ እዚኣ እያ፡ ክብረተይ ከኣ ንኻልእ፡ ምስጋናይውን ንጽሩብ ምስልታት ኣይህብን እየ። 9እንሆ፡ እቲ ናይ ቀደም ተፈጸመ፡ ደጊም ሓድሽ ክነግረኩም እየ፡ ከይተቐልቀለ ድማ ብዛዕባኡ ኽስምዓኩም እየ።
10ኣቱም ኣብ ባሕሪ እትወርዱን ኣብኡ ዘሎ ዘበለ ዂሉን፡ ኣትን ደሴታትን ኣብእን እትነብሩን፡ ንእግዚኣብሄር ሓድሽ መዝሙርን ምስጋናኡን ካብ ወሰን ምድሪ ዘምሩ። 11በረኻን ከተማታቱን፡ እተን ሰብ ቄዳር ዝነብርወን ዓድታትን ድምጾም ዓው ይበል፡ እቶም ኣብ ኣኻውሕ ዝነብሩ ብሓጐስ ይጨድሩ፡ ካብ ርእሲ ኣኽራን እልል ይበሉ። 12ንእግዚኣብሄር ክብሪ ይሃቡ፡ ምስጋናኡ ኸኣ ኣብ ደሴታት ይንገሩ።
13እግዚኣብሄር ከም ጅግና ይወጽእ፡ ከም ተዋጋኢ ድማ ቅንኣት የልዓዕል፡ ይጭድር እሞ የዝምር፡ ኣብ ልዕሊ ጸላእቱ ኸኣ ይብርትዕ። 14ነዊሕ ግዜ ስቕ ኢለ ተጸሚመ ነፍሰይ መለኽኩ፡ ሕጂ ግና ከም እትጽዕር ወላዲት ክጭርሕ፡ ተናኢኸ ድማ ከተንፍስ እየ። 15ነኽራንን ኰረቢትን ከባድሞ፡ ንዅሉ ብቋልያኦም ድማ ከንቅጾ እየ፡ ንወሓዚ ኸኣ ደሴት ክገብሮ፡ ንቐላይውን ከንጽፎ እየ። 16ንዕውራት ብዘይፈልጥዋ ጐደና ኽወስዶም፡ ብዘይፈልጥወን መገድታት ክመርሖም፡ ንጸልማት ኣብ ቅድሚኦም ብርሃን ክገብሮ፡ ንድንጒር ከጣጥሖ እየ። እዚ ኽገብረሎም ኣይክሓድጎምን ድማ እየ። 17እቶም ብቕርጺ ምስልታት ዝውከሉ፡ ንምስልታት ፍሲ ኸኣ፡ ንስኻትኩም ኣማልኽትና ኢኹም፡ ዝብሉ፡ ንድሕሪት ገጾም ክምለሱ፡ ኣዝዮም ድማ ክንውሩ እዮም።
18ኣቱም ጸማማት፡ ስምዑ፡ ኣቱም ዕውራት ከኣ፡ ክትርእዩስ ጠምቱ። 19ባርያይ እንተ ዘይኰይኑስ፡ ዕውር መን እዩ ከምቲ ዝልእኮ ልኡኸይ ጸማምከ መን እዩ ዕዉር ከም ፈታውየይ፡ ዕዉር ከም ባርያ እግዚኣብሄር መን እዩ 20ብዙሕ ነገር ርኢኻ፡ ግናኸ ኣይሓሎኻዮን፡ ኣእዛን ተኸፊቱ ነይሩ፡ ግናኸ ገለ እኳ ኣይሰማዕካን። 21እግዚኣብሄር ስለ ጽድቁ ንሕጉ ዓብይን ክቡርን ክገብሮ ተሓጐሰ። 22ግናኸ እዚ ህዝቢ እዚ ውሩርን ዝሙትን እዩ፡ ኲላቶም ኣብ ጐደጒዲ ተፈንጠሩ፡ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኸኣ ተዳጐኑ። ንዘመተ ተወፈዩ፡ መናገፊ ኸኣ የልቦን፡ ተማረኹ፡ ምለስ፡ ዝብል ድማ የልቦን። 23ካባኻትኩም ነዚ ጽን ዝብል፡ ንዳሕራዪ ኸስተውዕሎ ኢሉ ዝሰምዖስ መን እዩ 24ያእቆብ ንወራር፡ እስራኤል ንዘመተ ዝወፈየ መን እዩ እቲ ብመገዱ ኽመላለሱ ዘይፈተዉ፡ ንሕጉ ድማ ዘይተኣዘዙ፡ ንሕናውን ዝበደልናዮ እግዚኣብሄርዶ ኣይኰነን ዝገበሮ 25ስለዚ ቑጥዓ መዓቱን ነድሪ ውግእን ከዓወሉ፡ እዚውን ብኽቡ ኣንደዶ፡ ግናኸ ኣይፈለጠን፡ ሞዂ ኣበሎ፡ ግናኸ ኣብ ልቡ ኣይተመልሰን።
ትን. ኢሳይያስ ምዕራፍ 43
1ሕጂ ግና ኣታ ያእቆብ፡ እቲ ዝፈጠርካ፡ ኣታ እስራኤል ድማ፡ እቲ ዝደኰነካ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል፡ ተበጅየካ እየ እሞ፡ ኣይትፍራህ፡ ብስምካ ጸዋዕኩኻ፡ ንስኻ ናተይ ኢኻ። 2ብማያት ምስ እትሓልፍ፡ ምሳኻ ክኸውን እየ፡ ብውሒዝ ምስ እትሳገር ከኣ፡ ኣይከጥሕለካን እዩ፡ ብሓዊ ምስ እትኸይድ፡ ኣይክትነድድን ኢኻ፡ ሃልሃልታውን ኣይክህምዀካን እዩ። 3ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ፡ መድሓኒኻ እየ እሞ፡ ንግብጺ በጀኻ፡ ንኢትዮጵያን ሳባን ኣብ ክንዳኻ ኣሕለፍኩ። 4ኣብ ኣዒንተይ ብሉጽን ክቡርን ስለ ዝዀንካን ስለ ዘፍቀርኩኻን፡ ኣብ ክንዳኻ ሰባት፡ ኣብ ክንዲ ህይወትካ ድማ ህዝብታት ክህብ እየ። 5ምሳኻ እየ እሞ፡ ኣይትፍራህ፡ ንዘርእኻ ኻብ ምብራቕ ከምጽኦም፡ ካብ ምዕራብ ከኣ ክኣኻኽበካ እየ። 6-7ንሰሜን፡ ኣምጽእ፡ ንደቡብ ከኣ፡ ኣይትኽላእ፡ ነወዳተይ ካብ ርሑቕ፡ ነዋልደይ ካብ ወሰን ምድሪ፡ ነቲ ብስመይ እተጸውዐ ዘበለ ዂሉን ንኽብረይ ዝፈተርክዎን ዝደኰንክዎን ዝገበርክውን ኣምጻኣዮ፡ እብል ኣሎኹ።
8ነቲ ዓይኒ ኸለዎስ ዕውር፡ እዝኒ ኸለዎስ ጸማም ዝዀነ ህዝቢ ኣውጽኣዮ፡ 9ኲሎም ኣህዛብ ብሓደ ይተኣከቡ፡ ህዝብታት ከኣ ይጨምረሩ፡ ካባታቶም ከምዚ ዘመሰለ ኽነግር ዝኽእል መን እዩ እቲ ናይ ቀደም ባህሎም እስኪ የስምዑና፡ ሰብ ሰሚዑ፡ ሓቂ እዩ፡ ምእንቲ ኽብልሲ፡ ምስክሮም የቕርቡ፡ መርትዕኦም ከኣ የፍልጡ። 10ኣነ ኸም ዝዀንኩ ምእንቲ ኸተስተውዕሉን ክትፈልጡን ክትኣምኑንሲ፡ ንስኻትኩም ምስክረይን እቲ ዝሓሬኽዎ ባርያን ኢኹም፡ ይብል እግዚኣብሄር። ቅድመይ ኣምላኽ ከቶ ኣይተደኰነን፡ ድሕረይ ከኣ ኣይክኸውንን እዩ። 11ኣነ፡ ኣነ እየ እግዚኣብሄር፡ ብጀካይ መድሓኒ የልቦን። 12ኣነ እየ ዝነገርኩ፡ ዘድሓንኩ፡ ዘስማዕኩ፡ ካልእ ኣምላኽ ከኣ ኣብ ማእከልኩም ኣይነበረን። ስለዚ ንስኻትኩም ምስክረይ ኢኹም፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ኣነውን ኣምላኽ እየ። 13ካብ ጥንቲ ኣነ እየ፡ ካብ ኢደይ ዘድሕን ከኣ የልቦን፡ ኣነ እገብር፡ ክኽልክል ዝከኣሎኸ መን እዩ፧
14እግዚኣብሄር፡ እቲ ተበጃዊኹም፡ ናይ እስራኤል ቅዱስ፡ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ምእንታኹም ናብ ባቢሎን ልኢኸ፡ ንዂሎም፡ እረ ንከለዳውያንውን በተን ዝሕጐሱለን መራኽቦም ሰጒጐ ኸህድሞም እየ፡ 15እግዚኣብሄር እቲ ቅዱስኩም፡ ፈጣር እስራኤል እቲ ንጉስኩም ኣነ እየ። 16-17እቲ ንሰረገላን ፈረሰን ንጭፍራን ጅግናን ዘውጽእ፡ ኲላቶም ብሓደ ወደቑ፡ ኣይክትንስኡን ከኣ እዮም፡ ጠፍኡ፡ ከምፈትሊ መብራህቲ ኸኣ ቀሃሙ፡ እቲ ኣብ ባሕርስ ጐደና፡ ኣብ ብርቱዕ ማያት ከኣ መገዲ ዝገበረ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል፡ 18ነቲ ቐደም ዝነበረ ኣይትዘክሩ፡ ነቲ ናይ ጥንቲ ኸኣ ኣይትሕሰቡ። 19እንሆ፡ ሓድሽ ነገር ክገብር እየ፡ ሕጂ ትበቁል ኣላ፡ ኣይተለልይዋንዶ ኢኹም እወ፡ መገዲ ኣብ በረኻ፡ ወሓይዝ ድማ ኣብ ምድረ በዳ ኽገብር እየ። 20ንህዝበይ፡ እቲ ሕሩየይ፡ ምእንቲ ኸስቲ፡ ማይ ኣብ በረኻ፡ ውሒዝውን ኣብቲ ምድረ በዳ ኽህብ እዩ እሞ፡ እንስሳ መሮር፡ እኒ ወኻርያን ሰገንን፡ ከኽብሩኒ እዮም። 21እቲ ንኣይ ዝደኰንክዎ ህዝቢ ምስጋናይ ከዘንቱ እዩ።
22ኣታ ያእቆብ፡ ንስኻ ግና ኣይጸዋዕካንን፡ ኣታ እስራኤል፡ ፋዕራይ ኣይገበርካን። 23ገንእሸል መስዋእቲ ምሕራርካ ኣየቕረብካለይን፡ ብመስዋእትታትካ ድማ ኣየኽበርካንን፡ ብመስዋእቲ ብልዒ ኣየትዓብኩኻን ብዕጣን ከኣ ኣየድከምኩኻን። 24ብሓጢኣትካ ደኣ ኣትዓብካኒ፡ ብኣበሳኻ ድማ ኣድከምካኒ እምበር፡ ቀረፋ ብገንዘብ ኣይተወየጥካለይን፡ ብስብሒ መስዋእትኻውን ኣየጽገብካንን። 25ኣነ፡ ኣነ እየ ስለ ርእሰይ ኢለ ገበንካ ዝድምስስ፡ መሊሰ ኸኣ ሓጢኣትካ ኣይዝክርን። 26ኣዘክረኒ እሞ ንሓድሕድና ንማጐት፡ ክትረትዕሲ ባዕልኻ ተዛረብ። 27እቲ ቐዳማይ ኣቦኻ ሓጢኣት ገበረ፡ እቶም መምህራንካ ድማ ዓመጹኒ። 28ስለዚ ንሓላቑ ቤተ መቕደስ ኣርከስክዎም፡ ንያእቆብ ከኣ ንሕርሚ መጦኽዎ፡ ንእስራኤል ድማ ንጸርፊ ወፌኽዎ።
ትን. ኢሳይያስ ምዕራፍ 44
1ደጊም ኣታ ያእቆብ ባርያይ፡ ኣታ እስራኤል ከኣ ሕሩየይ፡ ስማዕ፡ 2እቲ ዝሰርሓካን፡ ካብ ማሕጸን ጀሚሩ ዝደኰነካን፡ ዝድግፈካን እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል፡ ኣታ ያእቆብ ባርያይ፡ ንስኻውን ይሹሩን ሕሩየይ፡ ኣይትፍራህ። 3ማይ ኣብቲ ጽሙእ፡ ወሓይዝ ከኣ ኣብቲ ንቑጽ ከፍስስ እየ፡ መንፈሰይ ኣብ ዘርእኻ፡ በረኸተይ ከኣ ኣብ ሓድግኻ ኸፍስሶ እየ እሞ፡ 4ከም ዕቦል ኣብ ጥቓ ወሓዚ ርባ፡ ኣብ ማእከል ሳዕሪ ኽበቑሉ እዮም። 5እቲ ሓደ፡ ናይ እግዚኣብሄር እየ፡ ክብል እዩ፡ እቲ ሓደ ኻልእ ብስም ያእቆብ ክስመ እዩ፡ እቲ ሓደ ድማ፡ ናይ እግዚኣብሄር፡ ኢሉ ኣብ ኢዱ ኽጽሕፍ እዩ፡ ንስም እስራኤል ድማ መጸውዒ ኽብረት ክገብሮ እዩ። 6እግዚኣብሄር፡ ንጉስ እስራኤልን ተበጃዊኡን፡ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል፡ ቀዳማይን ዳሕራይን ኣነ እየ፡ ብጀካይ ኣምላኽ የልቦን። 7ካብቲ ኣነ ነቲ ናይ ጥንቲ ህዝቢ ዝሰረትኩሉ ግዜ ጀሚሩ፡ ከማይ ዝጽውዕ መን እዩ እስከ ይዛረብ እሞ ይንገረኒ። ነቲ ዝመጽእን ዝኸውንን ይንገሩ። 8ኣይትፍርሁን ኣይትሰምብዱን፡ ቀደምዶ ኣየስማዕኩኻን ኣይነገርኩኻንዶኸ ንስኻትኩም ምስክረይ ኢኹም፡ ብጀካይዶ ኣምላኽ ኣሎ እዩ ካልእ ከውሒ የልቦን፡ ገለ እኳ ኣይፈልጥን። 9እቶም ጣኦታት ዝሰርሑ ዂሎም ከንቱ እዮም፡ እቶም ፍትዋቶም ከኣ ገለ እኳ ኣይጠቕሙን። እቶም ምስክሮም ድማ ኣይርእዩን ኣየስተውዕሉን፡ ስለዚ ኽንውሩ እዮም። 10ገለ እኳ ዘይጠቕሞስ ኣምላኽ ዝሰርሐ፡ ምስሊውን ብፍሲ ዝገበረ መን እዩ 11እንሆ፡ ኲሎም መተዓይይቱ ኽንውሩ እዮም፡ እቶም ሰራሕቲ ኸኣ ሰብ እዮም። ኲሎም ይተኣከቡን ይቕረቡን፡ ክስምብዱን ሓቢሮም ከኣ ክንውሩን እዮም።
12ሰራሕ ሓጺን ምሳር ይሰርሕ፡ ኣብ ጓህሪ ይገብሮ፡ ብሞደወ ይቕጥቕጦ፡ ብሓይሊ ቕልጽሙ ይዓዮ፡ ይጠሚ እሞ ይደክም፡ ማይ ኣይሰትን እሞ ይሕለል። 13ጸራቢ ገመድ ይግትር፡ ብመንደፊ ይነድፎ፡ ብመንደል ይነድሎ፡ ብመመዓራረዪ ይሕንጽጾ። ኣብ ቤት ክነብር እዩ እሞ፡ ከም መልክዕ ሰብ፡ ከም ውቁብ ሰብ ገይሩ ይሰርሖ። 14ኦም ሊባኖስ ይቘርጽ፡ ኣውሕን ኣልጌንን የምጽእ፡ ካብ ኣእዋም ዱር ከኣ ይሓሪ፡ ጽሕዲ ይተክል፡ ዝናም ድማ የብቁሎ። 15እዚ ኸኣ ንሰብ ንምንዳድ ይጠቕሞ፡ ካብኡ ወሲዱ ይስሕነሉ፡ ኣንዲዱ ኸኣ እንጌራ ይስንክት፡ ምስናይ እዚውን ካብኡ ኣምላኽ ይገብር እሞ የምልኾ፡ ምስሊ ይጸርብ እሞ ይሰግደሉ። 16እምበኣርሲ ፈረቓኡ ኣብ ሓዊ የንድዶ፡ በቲ ፈረቓኡ ኸኣ ስጋ የብስለሉ፡ ጥብሲ ጠቢሱ ድማ ይጸግበሉ፡ ይመውቑ እሞ፡ ኣሰይ እመውቑ፡ ሓዊ ኸኣ እርኢ ኣሎኹ፡ ይብል። 17ነቲ ዝተረፈ ድማ ምስሊ ቐሪጹ ይገብሮ፡ ኣምላኸይ ኢኻ እሞ፡ ኣድሕነኒ፡ እናበለ ኣብ ቅድሚኡ ተደፊኡ ይሰግድን ይጽልን። 18እዚኣቶምሲ፡ ከይርእዩ ኣዒንቶም፡ ከየስተውዕሉ ድማ ልቦም ተደፊኑ እዩ እሞ፡ ገለ እኳ ኣይፈልጡን፡ ሓንቲ እኳ ኣየስተውዕሉን እዮም። 19ፍርቁ ኣብ ሓዊ ኣንዲደ፡ ንጓህሩ ድማ እንጌራ ሰንኪተ፡ ስጋ ኸኣ ጠቢሰ በላዕኩ፡ ነቲ ተረፉዶ ፍንፋን ክገብሮ ንቑራጽ ዕጨይቲዶኸ ኽሰግደሉ እየ ክብልሲ ኣብ ልቡ ዝምለስ፡ ፍልጠትን ኣእምሮን ዘለዎ ሓደ እኳ የልቦን። 20ንሱ ሓመዂስቲ ይምገብ፡ ነፍሱ ኸየናግፍ፡ እዚ ኣብ የማነይቲ ኢደይ ዘሎ ሓሶትዶ ኣይኰነን ከኣ ከይብልሲ፡ እተጠበረ ልቢ ኣጋገዮ።
21ኣታ ያእቆብ፡ ኣታ እስራኤልውን፡ ባርያይ ኢኻ እሞ እዚ ዘክር፡ ኣነ ደኰንኩኻ፡ ባርያይ ኢኻ፡ ዎ እስራኤል፡ ብኣይሲ ኣይክትርሳዕን ኢኻ። 22ንገበንካ ኸም ደበና፡ ንሓጢኣትካውን ከም ግመ ኣጥፊኤዮ እየ። ኣነ እየ ዝብጀወካ እሞ፡ ናባይ ተመለስ። 23እግዚኣብሄር እዩ ዝገበሮ እሞ፡ ኣቱም ሰማያት፡ እልል በሉ። እግዚኣብሄር ንያእቆብ ተበጅይዎ፡ ክብሩ ኸኣ ኣብ እስራኤል ገሊጹ እዩ እሞ፡ ኣቱም መዓሙቑ ምድሪ፡ ብታሕጓስ ጨድሩ፡ ኣቱም ኣኽራን፡ ኣታ ዱር ምስ ኲሉ ኣእዋምካ፡ ዓው ኢልኩም ዘምሩ።
24እቲ ኻብ ማሕጸን ጀሚሩ ዝደኰነካ እግዚኣብሄር ተበጃዊኻ፡ ከምዚ ይብል፡ እቲ ዂሉ ዝገብር እግዚኣብሄር ኣነ እየ፡ ንሰማያት በይነይ ዝዝርግሖ፡ ብዘይ ደገፍ ከኣ ንምድሪ ዝኻስሶ፡ 25ንትእምርቲ ሓሰውቲ ኸንቱ ዝገብሮ፡ ንጠንቈልቲ ዓያሱ ዝገብሮም፡ ንጥበበኛታት ድሕሪት ዝመልሶም፡ ንፍልጠቶም ከኣ ናብ ዕሽነት ዝልውጦ፡ 26ንቓል ባርያኡ ዘጽንዖ፡ንምኽሪ ልኡኻቱ ዝፍጽሞ፡ ብዛዕባ የሩሳሌም፡ ክነብርዋ፡ ብዛዕባ ኸተማታት ይሁዳ ኸኣ፡ ክህነጻ፡ ኣነውን ንዖናታተን ከተንስኦ እየ፡ ዝብል፡ 27ንመዓሙቑ ባሕሪ፡ ንጻፍ፡ ንርባታትካውን፡ ኣነ ኸንጽፎም እየ፡ ዝብል፡ 28ብዛዕባ ቂሮስ፡ ንሱ ጓሳይ እዩ፡ ንፍቓደይ ዘበለ ዂሉውን ክፍጽሞ እዩ፡ ብዛዕባ የሩሳሌም ድማ፡ ክትህነጽ፡ ብናይ ቤተ መቕደስውን፡ ክትስረት እያ፡ ዝብል ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
ትን. ኢሳይያስ ምዕራፍ 45
1እግዚኣብሄር ነቲ ቕቡኡ፡ ንቂሮስ፡ ህዝብታት ኣብ ቅድሚኡ ኸግዝኣሉ፡ ሕቘ ነገስታት ከኣ ክፈትሕ፡ ደጌታት ከይዕጾዎ ድማ፡ መዓጹ ኣብ ቅድሚኡ ምእንቲ ኸርሕወሉ ኢለ ብየማነይቲ ኢዱ ዝሓዝክዎ ኸምዚ ይብሎ ኣሎ፡ 2ኣነ ቐቅድሜኻ ክኸይድ፡ ንድንጉር ከኣ ሰጥ ከብሎ፡ ንመዓጹ ኣስራዚ ሓሸምሸም ከብሎ፡ ንመሸጐሪ ሓጺን ድማ ክሰባብሮ እየ። 3ኣነ ብስምካ ዝጸዋዕኩኻ እግዚኣብሄር፡ ኣምላኽ እስራኤል ምዃነይ ምእንቲ ኽትፈልጥሲ፡ መዝገብ ጸልማትን ኣብ ስውር እተሓብአ ሃብትን ክህበካ እየ። 4ምእንቲ ያእቆብ ባርያይን እስራኤል ሕሩየይን፡ ብስምካ ጸዋዕኩኻ፡ ከይፈለጥካኒ እኳ ስም ክብረት ሃብኩኻ። 5-6እግዚኣብሄር ኣነ እየ፡ ካልእ የልቦን፡ ብጀካይ ኣምላኽ የልቦን፡ ካብ ምብራቕ ጸሓይ ክሳዕ ምዕራብ ብጀካይ ካልእ ከም ዘየልቦ ምእንቲ ኽፈልጡስ፡ ከይፈለጥካኒ እኳ ኣዕጠቕኩኻ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ፡ ካልእውን ከቶ የልቦን። 7ብርሃን እገብር፡ ጸልማት ከኣ እፈጥር፡ ደሓን እገብር፡ መዓት ድማ እፈጥር፡ እዚ ዂሉ ዝገብር ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
8ኣቱም ሰማያት፡ ካብ ላዕሊ ኣንጠብጥቡ፡ ደበናታት ከኣ ጽድቂ የዝንሙ። ምድሪ ትጨንዳሕ እሞ ምድሓን የፍርዩ፡ ጽድቂውን ኣሕቢራ ተብቁል። እዚ ዝፈጠርኩ ኣነ እግዚኣብሄር እየ። 9እቲ ምስ ፈጣሪኡ ዝካታዕ ወይለኡ፡ ንሱ ገልዒ ኣብ ማእከል ኣጋልዕ መሬት እዩ። መሬትዶ ንስራሒኣ፡ እንታይ ትገብር፡ ትብሎ እያ ግብርኻዶኸ፡ ኣእዳው የብሉን፡ ይብል እዩ 10እቲ ነቦ፡ እንታይ ትወልድ ንስኻ ንሰበይቲ ኸኣ፡ እንታይ ጽዒርኪ ትወልዲ ዝብል ወይለኡ። 11እግዚኣብሄር፡ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስን ፈጣሪኡን፡ ከምዚ ይብል፡ ብናይ እቲ ዝመጽእ ሕተቱኒ፡ ብዛዕባ ደቀይን ግብሪ ኢደይን ኣዝዙኒ። 12ንምድሪ ዝገበርኩ፡ ኣብኣ ዘሎ ሰብ ከኣ ዝፈጠርኩ ኣነ እየ፡ ንሰማያት ዝዘርግሓ ድማ ኣእዳወይ እየን፡ ንዂሎም ሰራዊቶምውን ኣዘዝኩ። 13ነዚ ብጽድቂ ዘተንሳእክዎ ኣነ እየ፡ መገድታቱ ዂሉ ድማ ከጣጥሓሉ እየ፡ ንሱ ብዘይ ምፍዳይን ገጸ በረኸትን ንኸተማይ ክሰርሓ፡ ንምሩኻተይ ከኣ ክመልሶም እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።
14እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል፡ ጻዕሪ ግብጽን ንግድ ኢትዮጵያን እቶም ነዊሕ ዝቑመቶም ሰብ ሳባን ናባኻ ኽሓልፉ ናትካውን ክዀኑ እዮም። ንሳቶም ደድሕሬኻ ኽስዕቡ፡ ብመቐውሕ ድማ ክሓልፉ እዮም እሞ፡ ብሓቂ ኣምላኽ ኣባኻ እዩ፡ ብጀካኡስ ካልእ ኣምላኽ ከቶ የልቦን፡ እናበሉ፡ ኣብ ቅድሜኻ ኽሰግዱን ክልምኑኻን እዮም። 15ዎ ኣምላኽ እስራኤል፡ ዎ መድሓኒ፡ ብሓቂ ንርእስኻ እትስውር ኣምላኽ ኢኻ። 16እቶም ጣኦታት ዝገብሩ ዂሎም ክሓፍሩን ክደሃሉን፡ ብሓደ ነዊሮም ክኸዱን እዮም። 17እስራኤል ግና ብዘለኣለማዊ ምድሓን ብእግዚኣብሄር ክድሕን እዩ። ንስኻትኩምሲ ንዘለኣለም ኣይክትሓፍሩን ኣይክትደሃሉንውን ኢኹም።
18እቲ ንሰማያት ዝፈጠረ እግዚኣብሄር ንሱ ኣምላኽ እዩ፡ ንምድሪ ዝደኰናን ዝገበራን ዘጽንዓን፡ ማሕደር ሰብ ክትከውን ዝደኰና እምበር፡ ጥራያ ኽትከውን ዘይፈጠራ ኸምዚ ይብል፡ ኣነ እግዚኣብሄር እየ፡ ብጀካይውን ካልእ የልቦን። 19ብሕቡእ፡ ኣብ ስፍራ ዝጸለመተ ምድሪ ኣይተዛረብኩን፡ ንዘርኢ ያእቆብ፡ ብኸንቱ ድለዩኒ፡ ኣይበልኩን። ኣነ እግዚኣብሄር ጽድቂ ዝዛረብ፡ ቅንዕና ዘውሪ እየ። 20ኣቱም ካብ ህዝብታት ዘምለጥኩም፡ ተኣከቡ፡ ንዑ፡ ብሓደ ቕረቡ፡ እቶም ንዕጨይቲ ጽሩብ ምስልታቶም ዝጾሩ ከድሕን ንዘይከኣሎ ኣምላኽ ዝልምኑን ኣእምሮ የብሎምን። 21እስከ ንገሩ፡ ቅረቡ፡ ብሓደውን ይምከሩ፡ ካብ ጥንቲ እዚ ነገር እዚ መን ኣስምዐ ካብ ቀደም ዝነገረኸ መን እዩ ኣይኣነ እግዚኣብሄር እንዶ እየ ዝገበርክዎ ብጀካይ ካልእ ኣምላኽ የልቦን፡ ጻድቕን ዘድሕንን ኣምላኽ ብጀካይ ከቶ የልቦን። 22ኣነ ኣምላኽ እየ፡ ካልእ ከኣ የልቦን እሞ፡ ኣቱም ወሰናት ምድሪ ዂላትኩም፡ ናባይ ተመለሱ ድሓኑውን። 23ቃል ጽድቂ ኻብ ኣፈይ ወጺኡ እዩ እሞ ኣይክምለስን እዩ፡ ኲሉ ብርኪ ኽሰግደለይ፡ ኲሉ ልሳን ከኣ ብኣይ ክምሕል እዩ፡ ኢለ ብርእሰይ መሓልኩ። 24ብዛዕባይ ከኣ፡ ጽድቅን ስልጣንን ኣብ እግዚኣብሄር ጥራይ እዩ፡ ክበሃል እዩ። ናብኡ ኽመጹ እዮም፡ እቶም ነዲሮምሉ ዝነበሩ ዂላቶም ከኣ ክሓፍሩ እዮም። 25ዘርኢ እስራኤል ኲሉ ብእግዚኣብሄር ክጸድቕን ክሕበንን እዩ።
ትን. ኢሳይያስ ምዕራፍ 46
1ቤል ይደንን፡ ኔቦ ይጒምበስ፡ ጣኦታቶም ናብ እንስሳን መጽዓኛን ይጸዓን፡ እቶም ዘዞርኩምዎም ነቲ ድኹም መጽዓኛ ከቢድ ጾር ኰይኖም ተጻዕንዎ። 2ተጐምበሱ፡ ብሓደ ደነኑ፡ ነቲ ጾር ከድሕንዎ ኣይከኣሉን፡ ንርእሶምውን ተማረኹ። 3ኣቱም ቤት ያእቆብ፡ ኣቱም ዝተረፍኩም ቤት እስራኤል ኲላትኩም፡ ካብ ከርሲ ጀሚርኩም ኣባይ እተጸዓንኩም፡ ካብ ማሕጸን ጀሚርኩም ብኣይ እተጾርኩም፡ ስምዑኒ፡ 4ክሳዕ እርግናኹም ኣነ እየ፡ ክሳዕ ትሽይቡ ድማ ክጾረኩም፡ ኣነ ገበርኩ ኣነውን ክድግፍ እየ፡ ክጸውርን ኸድሕንን እየ። 5መዛኑ ኽንከውንሲ፡ ምስ መን እሞ ከተማሳስሉኒ ከተመዓራርዩንን ኢኹም 6ወርቂ ኻብ ማሕፉዳ ይኽስክሱ፡ ብሩር ድማ ብሚዛን ይመዝኑ፡ ምስ ሰራሕተኛ ይዋዓዓሉ፡ ንሱውን ኣምላኽ ይሰርሕ፡ ንሳቶም ከኣ ይሰግዱሉን የማልኽዎን። 7ኣልዒሎም ኣብ መንኲቦም ይጾርዎ፡ ኣብ ስፍራኡ ኸኣ የንብርዎ፡ ኣብኡ ይቐውም፡ ካብ ስፍራኡውን ፍንሕንሕ ኣይብልን። ዝጸውዐ እንተ ጸውዐ፡ ኣይመልስን ካብ ጸበባኡውን ኣየድሕኖን።
8ነዚ ዘክሩ እሞ፡ ሰብኡት ኲኑ፡ ኣቱም ገበነኛታት፡ ኣብ ልብኹም ተመለሱ። 9ኣነ ኣምላኽ እየ፡ ብጀካይ ከቶ የልቦን እሞ፡ ነቲ ናይ ጥንቲ ናይ ቀደም ዘክሩ፡ ኣነ ኣምላኽ እየ፡ ዝማሳሰለኒ ኸኣ የልቦን። 10ካብ መጀመርታ ነቲ መወዳእታ፡ ካብ ጥንቲ ገና ኸይኰነ ኸሎ ዝነገርኩ እሞ፡ ምኽረይ ክቐውም እዩ፡ ፍቓደይ ኲሉውን ክፍጽም እየ፡ ዝበልኩ ኣነ እየ። 11ንኣሞራ ኻብ ምብራቕ፡ ነቲ መማኽርተይ ካብ ርሑቕ ሃገር ዝጽውዕ ኣነ እየ። እወ፡ ተዛሪበ ኽፍጽሞ ኸኣ እየ፡ ኣሚመ ኽገብሮውን እየ። 12ኣቱም ካብ ጽድቂ ዝረሓቕኩም ተረርቲ ልቢ፡ ስምዑኒ፡ 13ጽድቀይ እቕርብ ኣሎኹ፡ ንሱ ርሑቕ ኣይኰነን፡ ምድሓነይ ከኣ ኣይድንጒን፡ ምድሓን ኣብ ጽዮን፡ ክብረይውን ንእስራኤል ክህብ እየ።
ትን. ኢሳይያስ ምዕራፍ 47
1ድሕሪ ደጊምሲ ሕንቅቕቲ ስውንቲ ኣይክትበሃልን ኢኺ እሞ፡ ኣቲ ድንግል ጓል ባቢሎን፡ ውረዲ ኣብ ሓመድ ከኣ ተቐመጢ፡ ኣቲ ጓል ከለዳውያን፡ ብዘይ ዝፋን ኣብ ምድሪ ተቐመጢ። 2መጥሓን ሓዚ እሞ ሓርጭ ጥሓኒ፡ ጒልባብኪ ቕልዒ፡ ነቲ ወለል ዝብል ዘፈር ክዳንኪ ሰብስቢ፡ ደናጉኺ ጥራዩ ጌርኪ ውሓይዝ ተሳገሪ። 3ዕርቃንኪ ይቀላዕ፡ ነውርኺ ኸኣ ይረኤ፡ ሕነ ኽፈዲ እየ፡ ዝገጥመለይ ከኣ ሓደ እኳ የልቦን። 4ስም እቲ ተበጃዊናስ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ ናይ እስራኤል ቅዱስ እዩ። 5ኣቲ ጓል ከለዳውያን፡ ድሕሪ ደጊም እትየ መንግስትታት ኣይክትበሃልን ኢኺ እሞ፡ ስቕ ኢልኪ ተቐመጢ፡ ናብ ጸልማት ኣግልሲ። 6ኣብ ህዝበይ ኰሬኹ፡ ርስተይ ፈንፈንኩ፡ ኣብ ኢድኪ ኸኣ ኣሕሊፈ ሃብክዎም። ንስኺ ኣይምሓርክዮምን፡ ኣርዑትኪ ኣብቶም ኣረገውቲ ኣዚኺ ኣኽበድኪ። 7ነዚ ኣብ ልብኺ ኸየንበርኪ፡ ብናይ መወዳእታውን ከይሓሰብኪ፡ ኣነስ ኰታ ንዂሉ ግዜ እትየ እየ፡ በልኪ።
8እምበኣርሲ ኣቲ ግዲ ዂሉ ዘይብልኪ፡ ብልብኺ ኸኣ፡ ኣነ ጥራይ እየ እምበር፡ ብጀካይ ካልእ የልቦን፡ ኣነስ ከቶ ኣይክምብሉን፡ ስእነት ውሉድውን ኣይክፈልጥን እየ፡ እትብሊ ተሰዋኒት፡ ነዚ ስምዒ፡ 9ክልቲኣተን፡ ስእነት ውሉድን ምብልውናን፡ ብሓንቲ መዓልቲ ድንገት ክመጻኺ እየን። ምንም እኳ ጥንቁልናኺ እንተ በዝሐ፡ ምዕዛምኪውን እንተ በርትዐ፡ ብምሉእ መስፈር ክመጻኺ እየን። 10ብኽፍኣትኪ ተወከልኪ እሞ፡ ዝርኣየኒ የልቦን፡ በልኪ፡ ጥበብክን ፍልጠትክን ኣስሓተኪ፡ ብልብኺውን፡ ኣነ እምበር፡ ብጀካይ ካልእ የልቦን፡ በልኪ። 11ስለዚ ኽትዕዝምዮ ዘይከኣለኪ መዓት ክመጻኪ፡ ከተዝብልዮ ዘይኰነልኪ መከራ ኸኣ ክወርደኪ እዩ፡ ዘይፈለጥክዮ ጥፍኣት ድማ ብድንገት ክወርደኪ እዩ። 12ምናልባሽ እንተ ጠቐመኪ፡ ምናልባሽ እንተ ኣሰምበደክስ፡ ነቲ ኻብ ንእስነትኪ ጀሚርኪ ዝጸዓርክሉ ጥንቈላን ብዝሒ ኣስማትክን ሒዝኪ፡ ቕረቢ። 13ብብዝሒ ምኽርታትኪ ደኸምኪ፡ እቶም ፈለጥቲ ትእምርቲ ሰማይን እቶም ቈጸርቲ ኸዋኽብትን እቶም ነቲ ኣብ ሰሰርቂ ወርሒ ዝረኽበኪ ዝነግሩኽን ይተንስኡ እሞ የድሕኑኺ። 14እንሆ፡ ንሳቶም ከም ሓሰር እዮም፡ ሓዊ የንድዶም፡ ካብ ሓይሊ ሃልሃልታ ንነፍሶም ኣየድሕንዋን። ጓህሪ ንምስሓን ዝኸውን፡ ሓዊ ኸኣ ኣብ ቅድሚኡ ኾፍ ንምባል ዝኸውን ኣይክህሉን እዩ። 15ዕድል እቶም ዝጸዓርክሎም ከምዚ ክኸውን እዩ። እቶም ካብ ንእስነትኪ ጀሚሮም መናግድትኺ ዝነበሩ መመገዶም ጸው ክብሉ እዮም፡ ሓደ እኳ ዘድሕነኪ የልቦን።
ትን. ኢሳይያስ ምዕራፍ 48
1ኣቱም ቤት ያእቆብ፡ ብስም እስራኤል እትስመዩ፡ ካብ ዓይኒ ማይ ይሁዳ ኸኣ ዝፈልፈልኩም፡ ብሓቅን ብጽድቅን ደኣ ኣይኰነን እምበር፡ ብስም እግዚኣብሄር እትምሕሉ፡ ንኣምላኽ እስራኤል ከኣ እትውድሱ ዘሎኹም፡ እዚ ስምዑ፡ 2በታ ቅድስቲ ኸተማ ስለ እተሰምዩ፡ ኣብ ጐይታ ሰራዊት ዝስሙ ኣምላኽ እስራኤል ከኣ ስለ እተጸግዑ እዮም። 3እቲ ሕሉፍ ኣቐዲመ ነገርኩ፡ ካብ ኣፈይ ወጺኡ እዩ እሞ ኣስማዕኩኹም፡ ብድንገት ገበርክዎ፡ ኰነ ኸኣ። 4ህልኸኛ ምዃንካን፡ ክሳድካ ጅማት ሓጺን፡ ግንባርካውን ኣስራዚ ምዃኑን ፈሊጠ እየ እሞ፡ 5ስለዚ፡ ጣኦተይ እዩ ዝገበሮ፡ እቲ ጽሩብን ፍሱስን ምስለይ እዩ ዝኣዘዞ፡ ከይትብልሲ፡ ኣቐዲመ ነገርኩኻ፡ ከይኰነ ኸኣ ኣስማዕኩኻ። 6ነዚ ሰሚዕካ ኣሎኻ፡ ንዂሉውን ጠምቶ፡ ንስኻትኩምሲ ኣይተውርይዎንዶ ኢኹም ካብ ሕጂ ጀሚሩ ሓድሽን ሕቡእን ዘይፈለጥካዮን ነገር ከስማዓካ እየ። 7ሕጂ ተፈጥረ እምበር፡ ቀደም ኣይኰነን፡ ንስኻ፡ ነዝስ እፈልጦ ነይረ፡ ምእንቲ ኸይትብል፡ ቅድሚ ሎሚ ኣይሰማዕካዮን። 8ኣይሰማዕካን፡ ኣይፈለጥካን፡ እዝንኻውን ካብ ቀደም ኣይተኸፍተን። እዚ ኸኣ ጠላሚ ምዃንካን፡ ካብ ማሕጸን ኣዴኻ ጀሚሮም ገበነኛ ኢሎም ከም ዝሰምዩኻን ስለ ዝፈለጥኩ እዩ። 9ስለ ስመይ ኢለ ቁጥዓይ ኤደንጒ፡ ከየጽንተካ ድማ፡ ስለ ኽብረይ ኢለ ርእሰይ እገትእ ኣሎኹ። 10እንሆ፡ ኣምከኽኩኻ፡ ግናኸ ከም ብሩር ኣይኰነን፡ ኣብ እቶን ጸበባ ተዓዘብኩኻ። 11ስለይ፡ እወ፡ ስለይ ኢለ ኽገብሮ እየ፡ ከመይ ኢለኸ ንስመይ ይርከስ ክሓድጎ ክብረይ ከኣ ንኻልእ ኣይህብን እየ።
12ኣታ ያእቆብ፡ ንስኻውን ዝጸዋዕኩኻ እስራኤል፡ ስምዓኒ፡ ንሱ ኣነ እየ፡ ቀዳማይ ኣነ እየ፡ ዳሕራይውን ኣነ እየ። 13ኢደይ ምድሪ ሰረተት፡ የማነይተይ ከኣ ሰማያት ዘርግሐት፡ ምስ ዝጽውዖም ድማ ብሓደ ይቘሙ። 14ኲላትኩም ተኣከቡ እሞ ስምዑ፡ ካባታቶምከ እዚ ዝገበረ መን እዩ እቲ እግዚኣብሄር ዘፍቅሮ ንፍቓዱ ኣብ ልዕሊ ባቢሎን ክፍጽሞ እዩ፡ ቅልጽሙ ድማ ኣብ ልዕሊ ከለዳውያን ክኸውን እዩ። 15ኣነ፡ ኣነ እየ እተዛረብክዎን ዝጸዋዕክዎን፡ ኣነ እየ ዘምጻእክዎ እሞ መገዱ ኽሰልጠሉ እዩ። 16ናባይ ቅረቡ፡ እዚ ስምዑ፡ ካብ መጀመርታ ብሕቡእ ኣይተዛረብኩን፡ ካብቲ ዝዀነሉ ዘመን ጀሚረ ኣብኡ ኣሎኹ። ሕጂውን እግዚኣብሄር ኣምላኽ ንኣይን ንመንፈሱን ልኢኹ ኣሎ። 17እግዚኣብሄር፡ እቲ ተበጃዊኻ ናይ እስራኤል ቅዱስ፡ ከምዚ ይብል፡ ነቲ ዝጠቕም ዝምህረካን፡ በታ እተኸደላ መገዲ ዝመርሓካን ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ። 18ኣየ፡ ትእዛዛተይ ሰሚዕካ እንተ ትኸውንሲ፡ ሰላምካ ኸም ወሓዚ፡ ጽድቅኻውን ከም ማዕበል ባሕሪ ምዀነ ነይሩ፡ 19ዘርእኻ ኸም ሑጻ፡ ፍረ ኸርስኻውን፡ ከም ድበቱ ምዀነ። ስሙ ከቶ ኣይምጠፍአን፡ ካብ ቅድመይ ድማ ኣይምተደምሰሰን ነይሩ።
20ካብ ባቢሎን ውጹ፡ ካብ ከለዳውያን ጽለቑ፡ ብድምጺ እልልታ ንገሩ፡ ኣውጁ፡ ክሳዕ ወሰን ምድሪ ኣውርዩ እሞ፡ እግዚኣብሄር ንያእቆብ ባርያኡ ተበጅይዎ፡ በሉ። 21ብምድረ በዳ ኽመርሖም ከሎ፡ ኣይጸምኡን፡ ማይ ካብ ከውሒ ኣውሓዘሎም፡ ከውሒ ሰንጢቑ ማይ ኣፈልፈለ። 22ንረሲኣንሲ ሰላም የብሎምን፡ ይብል እግዚኣብሄር።
ትን. ኢሳይያስ ምዕራፍ 49
1ኣትን ደሴታት፡ ስምዓኒ፡ ኣቱም ኣብ ርሑቕ ዘሎኹም ህዝቢ፡ ጽን በሉ፡ እግዚኣብሄር ካብ ማሕጸን ጸውዓኒ፡ ካብ ከርሲ ኣደይ ጀሚሩ ስመይ ዘከረ። 2ንኣፈይ ከም በሊሕ ሰይፊ ገበሮ፡ ኣብ ጽላል ኢዱ ኸኣ ሓብኣኒ፡ ስሑል ፍላጻ ገበረኒ፡ ኣብ ጒልድባኡውን ከወለኒ፡ 3ኣታ እስራኤል ኣነ ዝኸብረሉ ባርያይ፡ ንስኻ ኢኻ፡ ከኣ በለኒ። 4ኣነ ግና፡ ብኸንቱ ጸዓርኩ፡ ንዘይጠቅም ብኸምኡ ሓይለይ ወዳእኩ፡ ግናኸ ፍርደይ ኣብ እግዚኣብሄር፡ ዓስበይ ከኣ ኣብ ኣምላኸይ እዩ፡ በልኩ። 5እምበኣርሲ እቲ ኣነ ባርያኡ ክኸውን፡ ንያእቆብ ናብኡ ኽመልሶ ንእስራኤልውን ናብኡ ኽእክቦ ኢሉ፡ ካብ ማሕጸን ጀሚሩ ዝደኰነኒ እግዚኣብሄር ይብል ኣሎ፡ ኣነስ ኣብ ዓይኒ እግዚኣብሄር ክቡር እየ፡ ኣምላኸይ ከኣ ሓይለይ ኰነ፡ 6እወ፡ ንሱ ይብል፡ ንነገድ ያእቆብ ንምትንሳእ፡ ነቶም ዝተረፉ እስራኤል ንምምላስ፡ ባርያይ ምዃንካ ኣዝዩ ሒደት እዩ። ምድሓነይ ክሳዕ ወሰን ምድሪ ምእንቲ ኽበጽሕሲ፡ ብርሃን ኣህዛብ ከኣ ክገብረካ እየ። 7ነቲ ሰብ ዝነዓቖ፡ ህዝብታት ዝፈንፈንዎ ባርያ ገዛእቲ፡ ንእኡ እግዚኣብሄር፡ እቲ ተበጃዊ እስራኤልን ቅዱስን፡ ስለቲ እሙን እግዚኣብሄርን ስለቲ ዝመረጸካ ናይ እስራኤል ቅዱስን ኢሎም ነገስታት ርእዮም ክትንስኡ፡ መሳፍንቲውን ክሰግዱ እዮም፡ ይብል ኣሎ።
8-9እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ብምሽእቲ ግዜ ሰማዕኩኻ፡ ብመዓልቲ ምድሓን ከኣ ረዳእኩኻ። ንምድሪ ኸተቑማ፡ ዝበረሰ ርስቲ ኸተውርሶም፡ ንእሱራት፡ ውጹ፡ ነቶም ኣብ ጸልማት ዘለው ድማ፡ ተረኣዩ፡ ክትብልሲ ኽሕልወካን ንቓል ኪዳን ህዝቢ ኽህበካን እየ። ኣብ መገዲ ኽበልዑ፡ ኣብ ኲሉ መላጥ ኰረቢት ድማ መጓስዪ ኽረኽቡ እዮም። 10እቲ ዝርሕርሓሎም ክመርሖም፡ ኣብ ዓይኒ ማይ ከኣ ከብጽሖም እዩ እሞ፡ ኣይክጠምዩን ኣይክጸምኡንውን እዮም፡ ሃሩር ወይስ ጸሓይ ኣይክጐድኦምን እዩ። 11ንዂሉ ኣኽራነይ መገዲ ኽገብሮ እየ፡ ጽርግያታተይ ከኣ ልዕል ክብል እዩ፡ 12እንሆ፡ እዚኣቶም ካብ ርሑቕ ይመጹ፡ እዚኣቶም ካብ ሰሜንን ካብ ምዕራብን፡ እዚኣቶም ከኣ ካብ ሃገር ሲኒም ይመጹ።
13እግዚኣብሄር ንህዝቡ ኣጸናንዐ፡ ንሽጉራቱውን ክምሕሮም እዩ እሞ፡ ኣቱም ሰማያት፡ እልል በሉ፡ ኣቲ ምድሪ፡ ተሓጐሲ፡ ኣቱም ኣኽራን፡ እልል እናበልኩም ጨድሩ። 14ጽዮን ግና፡ እግዚኣብሄር ራሕ ኣቢሉ ሓዲጉኒ፡ ጐይታ ረሲዑኒ፡ በለት። 15ሰበይቲዶ ንፍረ ኸርሳ ኽሳዕ ዘይትርሕርሓሉ፡ ነቲ ዝጠቡ ውሉዳ ኽትርስዕ ይከኣላ እዩ ምንም እኳ ንሳተን እንተ ረስዓ፡ ኣነስ ኣይክርስዓክን እየ። 16እንሆ፡ ኣብ ኢደይ ወቂጠኪ ኣሎኹ፡ ቀጽርታትኪ ድማ ኲሉ ግዜ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ እዩ። 17ውሉድኪ ቐልጢፎም ይመጹ፡ መፍርስትኺን መጥፋእትኽን ይወጹልኪ። 18ዓይኒኺ ቑሊሕ ኣብሊ እሞ ኣብ ዙርያኺ ጠምቲ፡ ኲላቶም ተኣኻኺቦም ናባኺ ይሙጹ ኣለው። ኣነ ህያው እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ንዂላቶም ከም ስልማት ክትክደንዮም፡ ከም መርዓት ከኣ ክትወናዘፍዮም ኢኺ። 19ኣብቲ ዑናኽን ዝባደመ ቦታኽን፡ ኣብቲ ዝጠፍእ ምድርኽን ሕጂ ብርግጽ ነቶም ዝነብሩኺ ኽትጸብዮም ኢኺ፡ እቶም ዝወሓጡኺ ድማ ክርሕቁ እዮም። 20እቶም ጠፊኦም ዝነበሩ ውሉድኪ ኸኣ፡ ስፍራ ጸቢቡኒ፡ ክነብረሉ ዀታ ኣርሕብለይ፡ ኢሎም ኣብ እዝንኺ ኽዛረቡኺ እዮም። 21ሽዑ ብልብኺ፡ ነዚኣቶም መን ወለደለይ ኣነ ውሉደይ ዝጠፍኡኒ መኻን ምርኽትን ስጉጒትን ዝነበርኩስ፡ ነዚኣቶም መን ኣዕበዮም እኔኹ፡ በይነይ ተሪፈ ነበርኩ፡ እዚኣቶም ደኣ ኣበይ ነበሩ ክትብሊ ኢኺ።
22እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል፡ እንሆ፡ ኢደይ ናብ ኣህዛብ ኣቢለ ኸልዕል፡ ንሰንደቕ ዕላማይ ከኣ ናብ ህዝብታት ከቑሞ እየ። ንሳቶም ድማ ነወዳትኪ ሓቑፎም ከምጽኡልኪ፡ ነዋልድኪውን ክሕንግርወን እዮም፡ 23ነገስታት ከኣ መዕበይትኺ፡ ንግስትታቶም ድማ መጒዚታትኪ ክዀኑ፡ ብገጾም ኣብ ምድሪ ተደፊኦም ክሰግዱልኪ፡ ተጐጓ እግርኺውን ክልሕሱ እዮም። ንስኺ ኸኣ ኣነ እግዚኣብሄር ምዃነይ፡ እቶም ዝጽበዩኒ ድማ ከም ዘይሓፍሩን፡ ክትፈልጢ ኢኺ።
24ንጅግናዶ ነቲ ዝዘረፎ የግድፍዎ እዮም ወይስ እቲ እተማረኸ ጻድቕዶ የምልጥ እዩ 25እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል፡ ምሩኻት እቲ ጅግና እኳ ኽዝረፉ እዮም፡ ምርኮ እቲ ጨካን ከኣ ክምለስ እዩ። ኣነ ኸኣ ንመጻርርትኺ ኽጻረሮም፡ ንደቅኺውን ከድሕኖም እየ። 26ንጠቓዕትኺ ስጋ ርእሶም ከብልዖም እየ፡ ብደም ርእሶም ከኣ ከም ብዀልዒ ወይኒ ኽሰኽሩ እዮም፡ ኲሉ ስጋ ድማ፡ ኣነ እግዚኣብሄር መድሓኒኽን ተበጃዊኽን፡ እቲ ናይ ያእቆብ ስልጡን ምዃነይ ክፈልጥ እዩ።
ትን. ኢሳይያስ ምዕራፍ 50
1እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል፡ እቲ ኣነ ዝፈታሕኩሉ ጽሕፈት ምፍታሕ ኣዴኹም ደኣ ኣበይ ኣሎ እቲ ንእኡ ዝሸጥኩኹም ብዓል ዕዳይ መን እዩ እንሆ፡ ብሰሪ በደልኩም ደኣ ኢኹም እተሸጥኩም፡ ብሰሪ ገበንኩም ድማ ኣዴኹም ተፈትሐት። 2ስለምንታይ እዩ ምስ መጻእኩስ፡ ሓደ እኳ ዘይጸንሐ ጸዊዐ ኸኣ ሓደ እኳ ዘይመልሰለይ ብሓቂዶ ኢደይ ንምብጃው ሓጻር እያ ወይስ ከናግፍዶ ሓይሊ የብለይን እንሆ፡ ብመግናሕተይ ንባሕሪ አንጽፎ፡ ንወሓይዝ ድማ ምድሪ ኣጻምእ እገብሮ፡ ሰኣን ማይ ከኣ ዓሳታቱ ብጽምኢ ሞይቶም ይምሽምሹ። 3ንሰማያት ብጸልማት እኽደኖ፡ መጐልበቢኡ ድማ ከሊ እገብሮ።
4ንድኹም ብቓል ገይረ ምጽንናዕ ምእንቲ ኽፈልጥሲ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ናይ ምሁራት ልሳን ሃበኒ። ኣብ ጸጽባሕ የንቅሕ፡ ከም ተመሃሮ ኽሰምዕስ፡ ንእዝነይ የንቅሖ። 5እግዚኣብሄር ኣምላኽ እዝነይ ከፈተለይ፡ ኣነውን ኣይኣቤኹን፡ ኣየድሓርሓርኩን። 6ዝባነይ ንገረፍቲ፡ ምዕጒርተይ ከኣ ንነጸይቲ ጸጒሪ ሃብኩ፡ ገጸይ ድማ ካብ ጸርፍን ጡፍ ምባልን ኣይከወልኩን። 7እግዚኣብሄር ኣምላኽ ይረድኣኒ እዩ እሞ፡ ስለዚ ተጓእ ኣይበልኩን። ስለዚ ንገጸይ ከም ዓረ ገበርክዎ፡ ከም ዘይሓፍር ከኣ ፈለጥኩ። 8እቲ ዘጽድቐኒ ቐረባ እዩ፡ መን እዩ ዝማጐተኒ ብሓደ ንቑም። መንከ እዩ ተጻራርየይ ይቕረበኒ። 9እንሆ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ይረድኣኒ፡ ዝዂንነኒ ደኣ መን እዩ እንሆ፡ ኲላቶም ከም ዓለባ ኽበልዩ፡ ብልዒውን ክበልዖም እዩ።
10ካባኻትኩምሲ ንእግዚኣብሄር ዝፈርህ፡ ንድምጺ ባርያኡውን ዝሰምዕ መን እዩ እቲ ብጸልማት ዝመላለስ ብርሃን ከኣ ዝስእን፡ ኣብ ስም እግዚኣብሄር ይወከል፡ ኣብ ኣምላኹውን ይጸጋዕ። 11እንሆ፡ ኣቱም ሓዊ እተንድዱ ዂላትኩም፡ እያድ ከኣ እትዕጠቑ፡ ኣብቲ ሃልሃልታ ሓውኹምን ኣብቲ ዘንደድኩምዎ እያድን ኪዱ፡ እዚ ኻብ ኢደይ እዩ ዝመጻኩም፡ ኣብ ስቓይ ክትድቅሱ ኢኹም።
ትን. ኢሳይያስ ምዕራፍ 51
1ኣቱም ንጽድቂ እትስዕቡ፡ ንእግዚኣብሄር ከኣ እትደልዩ፡ ጽን በሉኒ፡ ናብቲ እተፈንጫሕኩምሉ ኸውሕን፡ ናብታ እተዀዓትኩምላ ጒድጓድ ዔላን ኣስተብህሉ። 2ሓደ በይኑ ኸሎ፡ ጸዊዐዮን ባሪኸዮን ኣብዚሐዮን እየ እሞ፡ ናብ ኣቦኹም ኣብርሃምን፡ ናብታ ዝወለደትኩም ሳራን ኣስተብህሉ። 3እግዚኣብሄር ንጽዮን ከጸናንዓ፡ ንዂሉ ዑናታታ ኸጸናንዕ፡ ንምድረ በዳኣ ኸም ገነት፡ ንበረኻኣ ድማ ከም ኣታኽልቲ እግዚኣብሄር ክገብሮ እዩ እሞ፡ ደስታን ሓጐስን ምስጋናን ቃና መዝሙርን ኣብኣ ኽርከብ እዩ።
4ሕጊ ኻባይ ይወጽእ፡ ብርሃን ህዝብታት ክኸውንሲ፡ ፍርደይ ከንብር እየ እሞ፡ ኣታ ህዝበይ፡ ናባይ ኣድህብ፡ ኣታ ዓሌተይ፡ ጽን በለኒ። 5ጽድቀይ ድማ ንህዝብታት ክፈርዱ፡ ደሴታት ክትስፈዋኒ፡ ኣብ ቅልጽመይ ከኣ ክውከላ እየን። 6ኣዒንትኹም ናብ ሰማያት ቁሊሕ ኣብሉ፡ ታሕቲ ገጽኩም ከኣ ናብ ምድሪ ጠምቱ፡ እንሆ፡ ሰማያት ከም ትኪ ኽበኑ እዮም፡ ምድሪ ድማ ከም ክዳን ክትበሊ እያ፡ እቶም ኣብኣ ዝነብሩውን ከምኣ ኽሞቱ እዮም። ምድሓነይ ግና ንዘለኣለም ክነብር፡ ጽድቀይውን ኣይክስዓርን እዩ። 7-8ፍልሖ ኸም ክዳን ክበልዖም፡ ብልዒ ኸኣ ከም ጸምሪ ኽበልዖም እዩ፡ ጽድቀይ ግና ንዘለኣለም፡ ምድሓነይውን ንውሉድ ወለዶ ኽነብር እዩ እሞ፡ ኣቱም ጽድቂ እትፈልጡ፡ ኣታ ኣብ ልብኻ ሕገይ ዘሎካ ህዝቢ፡ ስምዓኒ፡ ላግጺ ሰብ ኣይትፍርሁ፡ ብጸርፎምውን ኣይትሰምብዱ።
9ኣታ ቕልጽም እግዚኣብሄር፡ ንቓሕ፡ ንቓሕ፡ ሓይሊ ተኸደን፡ ከምቲ ብመዓልትታት ጥንቲ፡ ብዘመናት ቀደም ዝገበርካዮ፡ ንቓሕ። ንረሃብ ዝቘራረጽካ፡ ንገበል ዝወጋእካስ ንስኻዶ ኣይኰንካ 10ንባሕሪ፡ ናይቲ ብርቱዕ መዓሙቑ ማያት፡ ዘንጸፍካ፡ እቶም ድሑናት ክሓልፉሉ ኸኣ ነቲ ቆር ባሕሪ መገዲ ዝገበርካዮኸ ንስኻዶ ኣይኰንካ 11እቶም እግዚኣብሄር እተበጀዎም ክምለሱ፡ እልል እናበሉ ናብ ጽዮን ክመጹ እዮም፡ ዘለኣለማዊ ሓጐስ ከኣ ርእሶም ክኽልል እዩ፡ ደስታን ሓጐስን ክረኽቡ እዮም፡ ጓህን እህህታን ክሃድም እዩ።
12ኣነ፡ ኣነ እየ ዘጸናንዓኩም፡ ንስኻኸ ካብዚ መዋቲ ሰብ፡ ካብዚ ኸም ሳዕሪ ዝሓልፍ ወዲ ሰብ እትፈርህሲ መን ኢኻ 13ነቲ ሰማያት ዝገተረ፡ ንምድሪ ኸኣ ዝሰረተ፡ ነቲ ዝፈጠረካ እግዚኣብሄር ረሳዕካዮ። ኲሉ ግዜ፡ ኲሉ መዓልቲ ኻብ ነድሪ እቲ ንምጥፋእ እተዳለወ ገፋዒ ትፈርህ ኣሎኻ። ነድሪ እቲ ገፋዒ ደኣ ኣበይ ኣሎ 14እቲ እሱር ቀልጢፉ ኽፍታሕ፡ ኣይክመውትን ኣይክቕበርን፡ እንጌራውን ኣይክስእንን እዩ። 15ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እየ እሞ፡ ንባሕሪ፡ ማዕበላ ኽሳዕ ዝሃምም፡ እናውጻ፡ ስሙውን እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት እዩ። 16ንሰማያት ክተኽሎም፡ ንምድሪ ኸኣ ክስርታ፡ ንጽዮን ድማ፡ ንስኺ ህዝበይ ኢኺ፡ ክብልሲ ቓላተይ ኣብ ኣፍካ ኣንበርኩ፡ ብጽላል ኢደይውን ከወልኩኻ።
17ኣቲ፡ የሩሳሌም፡ ካብ ኢድ እግዚኣብሄር ጽዋእ ነድሩ ዝሰቴኺ፡ ነቲ ዘስክር ጽዋእ ዝሰቴኽዮን ዝጨለጥክዮን፡ ንቕሒ፡ ንቕሒ፡ ተንስኢ። 18ካብ ኲሎም እቶም ዝወለደቶም ደቂ ሓደ እኳ ዝመርሓ የልቦን፡ ካብ ኲሎም እቶም ዘዕበየቶም ደቂ ሓደ እኳ ኢዳ ዝሕዝ የልቦን። 19እዘን ክልተ ነገር ወረዳኺ፡ መን እሞ ኽርሕርሓልኪ እዩ ጥፍኣትን ምብራስን፡ ጥሜትን ሰይፍን እንሆልኪ። ከመይ ገይረ ኸጸናንዓኪ እየ 20ውሉድኪ ዛሕ ኢሎም፡ ከም ድንኩላ ኣብ መፈንጠራ ኣብ ኲሉ ቐራና መገድታት በጥ በሉ። ቁጥዓ እግዚኣብሄርን መግናሕቲ ኣምላኽክን መልኦም። 21ስለዚ፡ኣቲ ሽግርቲ፡ ብወይኒ ደኣ ኣይኰነን እምበር፡ ኣቲ ስኽርቲ፡ ነዚ ስምዒ፡ 22እግዚኣብሄር ጐይታኺ፡ እቲ ምእንቲ ህዝቡ ዝጣበቕ ኣምላኽኪ፡ ከምዚ ይብል፡ እንሆ፡ ነቲ ጽዋእ ስኽራን፡ ነቲ ጽዋእ ቁጥዓይ፡ ካብ ኢድኪ ወሰድክዎ፡ ድሕርዚ ኣይክትሰትይዮን ኢኺ። 23ኣነ ኸኣ ኣብ ኢድ እቶም ንነፍስኺ፡ ብኣኺ ኣቢልና ኽንሳገርሲ ተጐምበሲ፡ ዝበልዋ፡ መሸገርቲኺ ኽህቦ እየ፡ ንስኺ ድማ ዝባንኪ ነቶም ሓለፍቲ ኸም ምድሪ፡ ከም መገዲ ገበርክሎም።
ትን. ኢሳይያስ ምዕራፍ 52
1ድሕሪ ሕጂ ዘይተገዝረን ርኹስን ኣባኺ ኣይክኣቱን እዩ እሞ፡ ኣቲ ጽዮን፡ ንቕሒ፡ ንቕሒ፡ ሓይልኺ ልበሲ፡ ዎ የሩሳሌም፡ ኣቲ ቅድስቲ ኸተማ፡ እቲ ብሉጽ ልብስኺ ልበሲ። 2ኣቲ የሩሳሌም፡ ተጐጓኺ ንገፊ፡ ተንስኢ፡ ተቐመጢ። ኣቲ ምርኽቲ ጓል ጽዮን፡ ንማእሰርቲ ኽሳድኪ ፍትሕዮ።
3እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል፡ ብኸምኡ ተሸጥኩም፡ በዘይ ገንዘብ ከኣ ክትብጀው ኢኹም። 4እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል፡ ህዝበይ ምእንቲ ኣብኣ ኽነብር፡ ቀደም ናብ ግብጺ ወረደ፡ ኣሶር ከኣ ብዘይ ምኽንያት ጠቕዖ። 5ህዝበይ ብዘይ ምኽንያት ካብ ዝማረኽ፡ ሕጂ ኣብዚ እንታይ ኣሎኒ ይብል እግዚኣብሄር፡ ገዛእቲ ኸኣ ይጭድሩ፡ ስመይውን ኲሉ ግዜ፡ ኲሉ መዓልቲ ይጽረፍ ኣሎ። 6ስለዚ ህዝበይ ንስመይ ክፈልጦ እዩ፡ ስለዚ በታ መዓልቲ እቲኣ፡ እኔኹልካ፡ ዝብል ኣነ ኸም ዝዀንኩ ኽፈልጥ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
7እቲ ብስራት ዘበስር፡ ሰላም ዘውሪ፡ ሰናይ ዘበስር፡ ምድሓን ዘውሪ፡ ንጽዮን ከኣ፡ ኣምላኽኪ ይነግስ፡ ዝብል፡ ኣእጋሩ ኣብ ኣኽራን ክንደይ ጽቡቓት እየን። 8እግዚኣብሄር ናብ ጽዮን ምስ ተመልሰ፡ ዓይኒ ንዓይኒ ኽርእይዎ እዮም እሞ፡ እቶም ደርቱምኪ ድምጾም ዓው ኣቢሎም ሓቢሮም እልል ክብሉ እዮም። 9ኣትን ዑናታት የሩሳሌም፡ እግዚኣብሄር ንህዝቡ ስለ ዘጸናንዖ፡ ንየሩሳሌም ስለ እተበጀዋ፡ ብሓጐስ እልል በላ፡ ሓቢርክን ኣመስግና። 10እግዚኣብሄር ኣብ ቅድሚ ዓይኒ ዂሎም ኣህዛብ ነቲ ቅዱስ ቅልጽሙ ቐልዖ፡ ኲለን ወሰናት ምድሪ ኸኣ ምድሓን ኣምላኽና ኽርእያ እየን። 11ርሓቑ፡ ርሓቑ፡ ካብዚ ውጹ፡ ርኹስ ከቶ ኣይትተንክዩ፡ ኣቱም ኣቓሑ እግዚኣብሄር እትጾሩ፡ ካብ ማእከል ውጹ፡ ንጽሁ። 12እግዚኣብሄር ቀቅድሜኹም ክኸይድ፡ ኣምላኽ እስራኤል ድማ ደጀንኩም ክኸውን እዩ እሞ፡ ብታህዋኽ ኣይክትነቕሉን፡ ብምህዳም ከኣ ኣይክትግስግሱን ኢኹም።
13እንሆ፡ ባርያይ በእምሮ ኸስልጥ፡ ክኸብር ልዕል ክብል፡ ኣዝዩውን ክዓዝዝ እዩ። 14ብዙሓት ብኣኻ ኸም እተገረሙ፡ ትርኢቱ ኻብ ካልኦት ሰብ ሕሱር ነበረ። መልክዑ ድማ ካብ ካልኦት ደቂ ሰብ ሓመቐ። 15ከምኡ ኸኣ ንብዙሓት ኣህዛብ ከገርሞም እዩ። ነቲ ዘይተዘንተወሎም ክርእይዎ፡ ነቲ ዘይሰምዕዎ ድማ ከስተውዕልዎ እዮም እሞ፡ ነገስታት ኣብ ቅድሚኡ ኣፎም ክሕዙ እዮም።
ትን. ኢሳይያስ ምዕራፍ 53
1ነዚ ምስክርና መን ኣመኖ ቅልጽም እግዚኣብሄር ንመን ተጋህደሉ 2ኣብ ቅድሚኡ ኸም ጨንፈርን ከምቲ ኻብ ንቑጽ ምድሪ ዝወጽእ ሱርን ጨብጨበ። መልክዕን ውቃበን ኣይነበሮን፡ ምስ ርእናዮ፡ ዘብህገና ትርኢት ኣይነበሮን። 3ንዑቕን ብሰብ ድርቡይን እዩ፡ ብዓል ስቓይ፡ ብሕማም ልዱይ፡ ከምቲ ኣብ ቅድሚኡ ገጾም ዝጒልብቡሉ ሰብ እተዋረደ እዩ፡ ንሕናውን ገለ እኳ ኣየቋጾርናዮን። 4ብሓቂ ንሱ ንሕማምና ጾሮ፡ ንስቓይና ኸኣ ኣብ ነፍሱ ጸዓኖ፡ ንሕና ግና ከም እተወቕዐን ብእግዚኣብሄር ከም እተቐዝፈን ከም እተዋረደን ጌርና ኣቋጸርናዮ። 5ንሱ ግና ብሰሪ ገበንና ቘሰለ፡ ብሰሪ ኣበሳና ድማ ተኸትከተ፡ ንሕና ሰላም ምእንቲ ኽንረክብ፡ መቕጻዕቲ ናብኡ ወረደ፡ ንሕናውን ብስምብራቱ ሓዌና። 6ኲላትና ኸም ኣባጊዕ ተባረርና፡ ነፍሲ ወከፍ ነናብ መገዱ ዘምበለ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ኣበሳ ዂላትና ኣብኡ ኣውደቖ። 7መከራ ጸገበ፡ ርእሱ ኣዋረደ ኣፉውን ኣይከፈተን። ከምቲ ናብ ማሕረዲ ዝኽብከብ ገንሸል፡ ከምታ ኣብ ቅድሚ መቀዝታ ስቕ እትብል በጊዕ ኣፉ ኣይከፈተን። 8ካብ ጥቕዓትን ፍርድን ተወስደ፡ ካብ ምድሪ ህያዋን ከም እተቘርጸ፡ ካብቶም ወለዶኡ መን ሓሰቦ ብምኽንያት ገበን ህዝበይ ተቐዝፈ። 9እከይ ዘይገበረ፡ ሓሶት ከኣ ኣብ ኣፉ ዘይተረኽበ ኽነሱስ፡ መቓብሩ ምስ ረሲኣን ገበሩ፡ ብሞቱ ግና ምስ ሃብታም ኰነ።
10እግዚኣብሄር ግና ብመከራ ኽሕምሽሾ ፈተወ። ነፍሱ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ምስ ወፈያ፡ ዘርኢ ኽርኢ፡ መዓልትታቱ ኸንውሕ እዩ፡ ፍቓድ እግዚኣብሄር ከኣ ኣብ ኢዱ ኽሰልጥ እዩ። 11ጻማ ነፍሱ ኽርኢ ኽጸግብውን እዩ። እቲ ጻድቕ ባርያ ብፍልጠቱ ንብዙሓት ከጽድቕ፡ ኣበሳኦም ድማ ባዕሉ ኽጸውር እዩ። 12ነፍሱ ንሞት ስለ ዝወፈያ፡ ምስ በደለኛታት ከኣ ስለ እተቘጽረ፡ ስለዚ ግዲኡ ምስ ዓበይቲ ኽመቕሎ እየ፡ ምርኮውን ምስ ሓያላት ክመቅል እዩ። ግናኸ ሓጢኣት ብዙሓት ጾረ፡ ምእንቲ በደለኛታት ከኣ ለመነ።
ትን. ኢሳይያስ ምዕራፍ 54
1ካብ ደቂ እታ ምርዕውቲስ ደቂ እታ በይና ዘላ ኽበዝሑ እዮም እሞ፡ ኣቲ ዘይወለድኪ መኻን፡ እልል በሊ፡ ኣቲ ንምውላድ ዘይጸዓርኪ፡ ዓው ኢልኪ ብደስታ ጨድሪ፡ ይብል እግዚኣብሄር። 2-3ናብ የማነ ጸጋም ከተስፋሕፍሒ ኢኺ፡ ዘርእኺ ነህዛብ ክወርሶም፡ ነተን ዝዓነዋ ኸተማታት ከኣ፡ ሰብ ከም ዝነብረለን ክገብረን እዩ እሞ፡ ስፍራ ድንኳንኪ ኣርሕቢ፡ እቲ መጋረጃታት ማሕደርኺ ብዘይ ምቑጣብ ይገተር፡ ኣግማድኪ ኣንውሒ፡ መታኽልክውን ኣጽንዒ። 4-5ፈጣሪኺ ሰብኣይኪ እዩ እሞ፡ ስሙ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት እዩ፡ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ከኣ ተበጃዊኺ እዩ፡ ንሱ ኣምላኽ ኲሉ ምድሪውን ይበሃል። ስለዚ ኣይክትሓፍርን ኢኺ እሞ ኣይትፍርሂ፡ ኣይክትንውርን ኢኺ እሞ ኣይትሕነኺ፡ እረ ነውሪ ንእስነትኪ ኽትርስዒ፡ ጸርፊ ምብልውናኺ ድማ ድሕርዚ ኣይክትዝክርን ኢኺ። 6ከምታ መንፈሳ ዝጐሃየ ፍትሕቲ ሰበይቲ፡ ከምታ ሕድግቲ ንእሽቶ መርዓት፡ እግዚኣብሄር ጸውዓኪ፡ ይብል ኣምላኽኪ። 7ንሓጻር ግዜሓደግኩኺ፡ ብዓብዪ ምሕረት ግና ኽእክበኪ እየ። 8ብምፍሳስ ቁጥዓ ንቕጽበት ዓይኒ ገጸይ ከወልኩልኪ፡ ብዘለኣለማዊ ምሕረት ግና ክርሕርሓልኪ እየ፡ ይብል እቲ ተበጃዊኺ ኣምላኽ። 9እዚ ንኣይ ከምቲ ማያት ኖህ እዩ እሞ፡ ማያት ኖህ ኣብ ምድሪ መሊሱ ኸይውሕዝ ከም ዝመሓልኩ፡ ከምኡውን ከይቁጥዓክን ከይገንሓክን እምሕል ኣሎኹ። 10ስለዚ ኣኽራን እኳ እንተ ዘበሉ፡ ኰረቢትውን ነነይ እንተ በሉ፡ ምሕረተይሲ ኻባኺ ኣይክዘብልን፡ ኪዳን ሰላመይ ድማ ነነይ ኣይክብልን እዩ፡ ይብል እቲ ዝርሕርሓልኪ እግዚኣብሄር።
11ኣቲ ህቦብላ ዝደፍኣኪ፡ ዘይተጸናናዕኪ፡ ሕዝንቲ፡ እንሆ፡ ነእማንኪ ሰሊመ ኽነድቆ፡ ብሰጲሮስ ከኣ ክስርተኪ፡ 12ጒልላት ግምብኺ ብሮቢኖስ፡ ደጌታትኪ ብህያክንቶስ፡ መካበብያኺ ዂሉ ድማ ብኽቡር እምኒ ኽገብሮ እየ። 13ኲላቶም ደቅኺ ብእግዚኣብሄር ክምሃሩ እዮም፡ ሰላም ደቅኺውን ዓብዪ ክኸውን እዩ። 14ብጽድቂ ኽትጸንዒ ኢኺ። እትፈርህዮ የብልክን እሞ፡ ካብ ግፍዒ ርሓቒ። ስምባድ ኣይክቐርበክን እዩ እሞ፡ ካብኡ ርሓቒ። 15እንሆ፡ ካባይ ደኣ ኣይኰነን እምበር፡ ሓቢሮም ይተኣኻኸቡ ኣለው፡ ዝዀነ እንተ ዀነ እቶም ክጻረሩኺ ዝሳማምዑ ዂሎም ኣብ ቅድሜኺ ኽወድቁ እዮም። 16እንሆ፡ ነቲ ንሕመት ነፊሑ ዘጒህሮ መሳርያ ዕዮኡ ኸኣ ዝገብር ኣንጠረኛ ኣነ እየ ዝፈጠርክዎ። ኣነውን እየ ነቲ መጥፍኢ፡ ከብርስ ኢለ፡ ዝፈጠርክዎ። 17ንኣኺ ኽወግኡሉ እተሰርሐ ኣጽዋር ኲሉ ኣይክጠቅምን እዩ፡ ነቲ ንፍርዲ ዝትንስኣኪ ዂሉ ልሳን ድማ ክትረትዕዮ ኢኺ። እዚ እዩ ርስቲ ባሮት እግዚኣብሄር፡ ጽድቆምውን ካባይ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
ትን. ኢሳይያስ ምዕራፍ 55
1ኣቱም ጽሙኣት ኲላትኩም፡ ናብ ማያት ንዑ፡ ኣቱም ገንዘብ ዘይብልኩም ከኣ፡ ንዑ ተሻየጡ እሞ ብልዑ። እወ ንዑ፡ ብዘይ ገንዘብ ብኸምኡ ወይንን ጸባን ተሻየጡ 2ገንዘብኩም ነቲ እንጌራ ዘይኰነ፡ ጸማኹም ድማ ነቲ ዘየጽግበኩም እተትፍኡሉስ ስለምንታይ ተጠንቂቕኩም ስምዑኒ፡ ነቲ ዝጸበቐ ኸኣ ብልዑ፡ ነፍስኹምውን ብጣዕሚ ባህ ክብላ እዩ። 3እዝንኹም ናባይ ጽለው እሞ ናባይ ንዑ፡ ስምዑ፡ ነፍስኹም ድማ ብህይወት ክትነብር እያ፡ ኣነ እቲ ንዳዊት ዘተስፎኽዎ ነባሪ ጸጋ፡ ዘለኣለማዊ ኪዳን፡ ምሳኻትኩም ክኣቱ እየ። 4እንሆ፡ ምስክር ንህዝብታት፡ መስፍንን ገዛእን ንህዝብታት ክኸውን ሃብክዎ። 5እንሆ፡ ንዘይትፈልጦ ህዝቢ ኽትጽውዕ ኢኻ፡ ዘይፈለጠካ ህዝቢ ድማ፡ ምእንቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካን ምእንቲ ናይ እስራኤል ቅዱስን፡ ንሱ ኣኽቢሩካ እዩ እሞ፡ ናባኻ ኽጐዪ እዩ።
6ንእግዚኣብሄር በቲ ዝርከበሉ ግዜ ድለይዎ፡ ቀረባ ኸሎውን ጸውዕዎ። 7ረሲእ መገዱ፡ ዓመጸኛ ኸኣ ሓሳቡ ይሕደግ፡ ናብ እግዚኣብሄር ይመለስ፡ንሱ ኸኣ ክምሕሮ እዩ፡ ኣዝዩ ይቕረ ይብል እዩ እሞ፡ ናብ ኣምላኽናውን ይመለስ። 8ሓሳባተይ ሓሳባትኩም ኣይኰነን፡ መገድታትኩም ከኣ መገድታተይ ኣይኰነን፡ ይብል እግዚኣብሄር። 9ከምቲ ሰማይ ካብ ምድሪ ልዕል ዝብል፡ መገድታተይ ካብ መገድታትኩም፡ ሓሳባተይ ከኣ ካብ ሓሳባትኩም ልዕል ዝበለ እዩ። 10ዝናምን ውርጭን ካብ ሰማይ ከም ዝወርድ እሞ ንምድሪ ኸይስተዮ፡ ከም ዘየፍርን ከም ዘየብቁልን ከኣ ከይገበሮ፡ ዘርኢ ንዘራኢ፡ ምግቢ ንተቐላቢ ድማ ከይሃቦ፡ ንድሕሪት ከም ዘይምለስ፡ 11እቲ ኻብ ኣፈይ ዝወጽእ ቃለይ ከኣ ከምኡ ክኸውን እዩ፡ ነቲ ኣነ ዝደልዮ ኸስልጥ፡ ኣብቲ ኣነ ዝልእኮ ከቕንዕ እዩ እምበር፡ ብኸንቱ ናባይ ኣይክምለስን እዩ። 12ብሓጐስ ክትወጹ፡ ብሰላም ድማ ክትስነዩ ኢኹም እሞ፡ ኣኽራንን ኰረቢትን ቀቅድሜኹም እልል ክብሉልኩም፡ ኲሎም ኣእዋም መሮርውን ከጣቕዑልኩም እዮም። 13ኣብ ክንዲ እሾዂስ ጽሕዲ፡ ኣብ ክንዲ ኣምዐ ድማ ጸጾ ኽበቁል እዩ፡ እዚውን ንስም እግዚኣብሄርን ዘይጠፍእ ዘለኣለማዊ ምልክትን ክኸውን እዩ።
ትን. ኢሳይያስ ምዕራፍ 56
1እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል፡ ምድሓነይ ክመጽእ፡ ጽድቀይ ድማ ክግለጽ ቀረባ እዩ እሞ፡ ፍርዲ ሓልው ጽድቂውን ግበሩ። 2እቲ ነዚ ዝገብር ሰብ፡ ብእኡ ዝጸንዕ፡ ንሰንበት ከየርክስ ድማ ዝጥንቀቕ፡ እከይ ከይገብርውን ኢዱ ዝሕሉ ወዲ ሰብ ብጹእ እዩ። 3እቲ ምስ እግዚኣብሄር ሕብረት ዝገበረ መጻእተኛ፡ ብሓቂ እግዚኣብሄር ካብ ህዝቡ ኽፈልየኒ እዩ፡ ኣይበል። እቲ ስሉብ ድማ፡ እንሆ፡ ንቑጽ ኦም እየ፡ ኣይበል። 4ስለዚ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ነቶም ሰናብተይ ዝሕልው፡ ንኣይ ዘሐጒስ ዝሓርዩ፡ ኪዳነይ ድማ ዘጽንዑ ስሉባት፡ 5ንኣታቶም ኣብ ቤተይን ኣብ ውሽጢ ደምበይን ስፍራ፡ ካብ ኣውዳትን ኣዋልድን ዝበልጽ ስም ክህቦም እየ። 6ነቶም ምእንቲ ኸገልግልዎ፡ ንስም እግዚኣብሄር ከፍቅሩ፡ ባሮቱ ክዀኑ ኢሎም ምስ እግዚኣብሄር ዝሓበሩ መጻእተኛታት፡ ሰንበት ከየፍርሱ ዝጥንቀቑ፡ ኪዳነይውን ዘጽንዑ ዂላቶም፡ 7ቤተይሲ ንዂሎም ህዝብታት ቤት ጸሎት ክስመ እዩ ኣሞ፡ ንኣታቶም ናብ ቅዱስ ከረነይ ከምጽኦም፡ ኣብ ቤት ጸሎተይ ከኣ ከሓጒሶም እየ፡ ዝሓርር መስዋእትታቶምን መስዋእትታት ሕሩዶምን ኣብ መሰውእየይ ቅቡል ክኸውን እዩ። 8እቲ ነቶም ፋሕ ኢሎም ዘለው እስራኤል ዝኣኻኽብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ኣብ ርእሲ እቶም እኩባቱ ካልኦትውን ክእክብ እየ፡ ይብል ኣሎ።
9ኣቱም ኣራዊት መሮር ኲላትኩም፡ ኣቱም ኣራዊት ዱር ኲላትኩም፡ ክትበልዑ ንዑ። 10ሓለውቱ ዕውራት እዮም፡ ኲላቶም ኣእምሮ የብሎምን፡ ኲላቶም ዘይነብሑ በሃማት ኣኽላባት እዮም፡ ይሓልሙ፡ በጥ ይብሉ፡ ድቃስ ይፈትው ኣለው። 11ህሩፋት ኣኽላባት ከቶ ዘይጸግቡ እዮም፡ እዚኣቶም ሓንቲ እኳ ዘየስተውዕሉ ጓሶት እዮም፡ ነፍሲ ወከፎም ካብ ቀዳማይ ክሳዕ ዳሕራይ ረብሓ ርእሱ ደለየ፡ ኲሎም ናብ መመገዶም ዘምበሉ። 12ወይኒ ኸምጽእ እየ እሞ ንዑ፡ ብርቱዕ መስተ ሰቲና ንስከር፡ ጽባሕ ድማ ከምዚ ናይ ሎሚ፡ እረ ኣዝዩ ዝበለጸ እኳ ደኣ ክኸውን እዩ፡ ይብሉ።
ትን. ኢሳይያስ ምዕራፍ 57
1ጻድቕ ይመውት እሞ ዝሓስቦ የልቦን፡ እቶም ፈራህቲ እግዚኣብሄር ከኣ ይምንጠሉ እሞ፡ እቲ ጻድቕ ካብ እከይ ከም እተኣርነበ ዘስተንትኖ የልቦን። 2ናብ ሰላም ይኣቱ፡ እቶም ብቕንዕና እተመላለሱ ኣብ መደቀሲኦም ይዓርፉ። 3ግናኸ ኣቱም ደቂ ጠንቋሊት፡ ዘርኢ ዘማውን ኣመንዝራን፡ ናብዚ ቕረቡ። 4-5ንመን ኢኹም እተባጭውሉ ንመንከ ኢኹም ኣፍኩም ሃህ ኣቢልኩም ልሳንኩም እተውጽኡሉ ኣቱም ንጣኦታት ኣብ ትሕቲ ዝለምዐ ዘበለ ዂሉ ኦም እትብህጉ፡ ንደቂ ድማ ኣብ ሽንጭሮታትን ኣብ ትሕቲ በዓትታት ኣኻውሕን እትሓርድዎም፡ ደቂ ኣበሳን ዘርኢ ሓሶትንዶ ኣይኰንኩምን 6እቲ ልሙጽ ኣእማን ርባ እዩ ግዴኺ፡ ንሱ፡ ንሱ እዩ ብጽሒትኪ፡ ንእኡውን መስዋእቲ መስተ ኣፍሰስክሉ፡ መስዋእቲ ብልዒ ኣቕረብክሉ፡ ኣነዶ በዚ እሕጐስ እየ 7ኣብ ልዕል ዝበለ በሪኽ ከረን መደቀሲኺ ኣዳሎኺ፡ ኣብኡ ድማ መስዋእቲ ሕሩድ ክትስውኢ ደየብኪ። 8ኣብ ድሕሪ ማዕጾን ልዳትን መዘከርታኺ ገበርኪ፡ ንኣይ ሓደግኪ፡ ንኻልእ ተቐንጢጥኪ ደየብክሉ፡ንመደቀሲኺውን ኣርሓብክዮ፡ ምሳታቶም ድማ ኪዳን ኣቶኺ፡ ኣብቲ ዝርእኽዮ ቦታ ዂሉ መደቀሲኦም ፈቶኺ። 9ዘይቲ ሒዝኪ ናብ ንጉስ ከድኪ፡ ቅዲትኪ ኸኣ ኣብዛሕኪ፡ ልኡኻትኪ ናብ ርሑቕ ለኣኽኪ፡ ክሳዕ ሲኦል ተዋረድኪ። 10ብምርሓቕ መገዲ ደኸምኪ፡ ግናኸ፡ ተስፋ ቐቢጸስ፡ ኣይበልክን። መሊስኪውን ኣብ ኢድኪ ሓይሊ ረኸብኪ፡ ስለዚ ኣይተሓለልክን። 11እትጠልምን ዘይትዝክርንን፡ ኣብ ልብኺ ዘይትሓስብዮንሲ፡ መን እዩ ዘሰምበደክን ዘፍርሃክን ኣነዶ ነዊሕ ግዜ ስቕ ኣይበልኩን እየ ስለዚ ኸኣ ኣይፈራህክንን። 12እምበኣር ኣነስ ጽድቅኽን ግብርኽን ክነግር እየ፡ ገለ እኳ ኣይክጠቕመክን እዩ። 13ምስ እተእውዪ፡ እቶም እኩባትኪ የድሕኑኺ፡ ግናኸ ንፋስ ንዂላቶም ክወስዶም፡ ጸለውታ ንፋስ ከኣ ክጸርጎም እዩ። እቲ ናባይ ዝጽጋዕ ግና ነቲ ሃገር ክግንዘቦ ነቲ ቅዱስ ከረነይ ድማ ክወርሶ እዩ።
14ኣዓርዩ፡ ኣዓርዩ፡ መገዲ ጽረጉ፡ ካብ መገዲ ህዝበይ መዓንቀፊ ኣርሕቑ፡ ክበሃል እዩ። 15ስለዚ እቲ ንዘለኣለም ዝነብር ልዑልን ዕዙዝን ቅዱስ ዝስሙን ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኣብቲ ልዑልን ቅዱስን ስፍራ እነብር ኣሎኹ፡ ግናኸ ንመንፈስ ትሑታት ህያው ክገብሮ፡ ንልቢ ድቑሳት ከኣ ህያው ክገብሮስ፡ ምስቲ ድቑስን ትሑትን መንፈስ ዘለዎ ሰብ ድማ እነብር ኣሎኹ። 16ንዘለኣለም ኣይክብኣስን፡ ንሓዋሩ ኸኣ ኣይክቑጣዕን እየ። እንተ ዘይኮነስ እተን ዝፈጠርክወን ነፍሳትን መንፈስን ኣብ ቅድመይ ምተሓለላ። 17ብሰሪ ኣበሳ ንፍገቱ እየ እተቘጣዕኩን ዝወቓዕክዎን፡ ተሓባእኩ፡ ተቘጣዕኩ ድማ፡ ንሱውን ዓልዩ ብመገዲ ልቡ ኸደ። 18መገድታቱ ርእኹ፡ ከሕውዮን ክመርሖን እየ፡ ንእኡን ንጒህያቱን ከኣ ምጽንናዐይ ክመልሰሎም እየ። 19ኣነ ፍረ ኸናፍር ክፈጥር እየ፡ ሰላም፡ ሰላም ነቲ ኣብ ርሑቕን ኣብ ቀረባን ዘሎ ይኹን፡ ኣነውን ከሕውዮ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር። 20እቶም ረሲኣን ግና ከምቲ ዝናወጽ ባሕሪ እዮም፡ ክሃድእ ኣይክእልን እዩ እሞ፡ ማያቱ ጭቃን ርስሓትን የውጽእ። 21እቶም ረሲኣንሲ ሰላም የብሎምን፡ ይብል ኣምላኸይ።
ትን. ኢሳይያስ ምዕራፍ 58
1ኣፍካ መሊእካ ጨድር፡ ኣይተቛርጽ፡ ድምጽኻ ኸም መለኸት ዓው ኣብል፡ ንህዝበይ ኣበሳኦም፡ ንቤት ያእቆብ ድማ ሓጢኣቶም ንገሮም። 2ኣብ ጸጽባሕ ይደልዩኒ፡ መገድታተይ ክፈልጥ ድማ ይፈትው። ከምቲ ጽድቂ ዝገብርን፡ ሕጊ ኣምላኹ ዘይሓደገን ህዝብስ፡ ሕጊ ጽድቂ ኻባይ ይደልዩ፡ ናብ ኣምላኽ ክቐርቡውን ይፈትው። 3ስለምንታይ ደኣ ጾምና፡ ንስኻ ድማ ዘይርእኻና ስለምንታይከ ነፍስና ኣሕሳእና፡ ንስኻውን ግዱ ዘይገበርካ እንሆ፡ ብመዓልቲ ጾምኩምሲ ተግባርኩም ኢኹም እትገብሩ፡ ንግዙኣትኩም ድማ ትገፍዕዎም ኣሎኹም። 4እንሆ፡ ብባእስን ብምክርኻርን ብሕሱም ምውቃዕ ጒስጢትን ኢኹም እትጾሙ። ድምጽኹም ኣብ ላዕሊ ኸም ዝስማዕ ጌርኩም ሎሚ ኣይትጾሙን ኢኹም ዘሎኹም። 5እቲ ኣነ ዝፈትዎ ጾምን፡ እታ ሰብ ንነፍሱ ዘሕስኣላ መዓልትን ከምዚ ዘመሰለ ድዩ ከም ሰልሰላ ርእስኻ ምድናንን፡ ክሻን ሓመዂስትን መንጸፍካ ምግባርን፡ ነዚ ዲኻ ጾምን እግዚኣብሄር ዝቕበሎ መዓልትን እትብሎ ዘሎኻ 6እቲ ኣነ ዝፈትዎ ጾምሲ ንመኣሰር እከይ ምፍታሕ፡ ንማእሰርቲ ኣርዑት ምዝላቕ፡ ንጥቑዓት ምውጻእ ሓራ፡ ኣርዑት ዘበለ ዂሉውን ምስባርዶ ኣይኰነን 7እንጌራኻ ንጥሙይ ክትመቅል፡ ነቶም እተሰዱ ድኻታት ናብ ቤትካ ኸተእቱ፡ ዕሩቕ እንተ ርእኻ ኽትከድኖ፡ ካብ ስጋካውን ከይትሕባእዶ ኣይኰነን 8ሽዑ ብርሃንካ ኸም ወጋሕታ ዀይኑ ኽወጽእ፡ ምሕዋይካ ኸኣ ቀልጢፉ ኽበቁል፡ ጽድቅኻ ድማ ቀቅድሜኻ ክኸይድ፡ ክብሪ እግዚኣብሄርውን ደጀንካ ክኸውን እዩ። 9ሽዑ ኽትጽውዕ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ክመልሰልካ፡ ከተእዊ፡ ንሱ ድማ፡ እኔኹ፡ ክብል እዩ። ነርዑት፡ ንምውጥዋጥ ኣጻብዕ፡ ንሕማቕ ዘረባ ኸኣ ካብ ማእከልካ እንተ ኣርሓቕካ፡ 10ካብ ናብ ነፍስኻ ንጥሙይ እንተ መቐልካ፡ ንጭንቕቲ ነፍሲ እንት ኣጽገብካ፡ ሽዑ ብርሃንካ ኣብ ጸልማት ክወጽእ፡ ጸልማትካውን ከም ቀትሪ ክኸውን እዩ። 11እግዚኣብሄር ንዂሉ ግዜኽመርሓካ፡ ኣብ ምድሪ ኣጻምእ ንነፍስኻ ኸጽግባ፡ ነዕጽምትኻ ድማ ከበርትዖ እዩ። ንስኻ ኸኣ ከም ዝሰተየ ኣታኽልትን ከምቲ ማዩ ዘይነጽፍ ዓይኒ ማይን ክትከውን ኢኻ። 12ደቅኻ ነቲ ቐደም ዝዓነወ ኽነድቁ እዮም፡ ንመሰረት ብዙሓት ወለዶ ኸተቕውም ኢኻ። ነዳቕ ፍሩስን፡ መሳፍሮ ዝኸውን መገዲ መዓረይን ተብሂልካ ኽትስመ ኢኻ።
13ብሰንበት፡ በታ ቅድስቲ መዓልተይ ከም ፍቓድ ርእስኻ ኸይትገብር፡ እግርኻ እንተ ዘሓጥካ፡ ንሰንበት ከኣ ደስታ፡ ነታ ቅድስቲ መዓልቲ እግዚኣብሄር ድማ ክብርቲ ኢልካ እንተ ሰሜኻያ፡ እንተ ኣኽበርካየ፡ መገዲ ርእስኻ ድማ እንተ ዘይከድካ፡ ፍቓድ ርእስኻ እንተ ዘይገበርካ፡ ከንቱ ዘረባውን እንተ ዘይተዛረብካ፡ 14ኣፍ እግዚኣብሄር ተዛሪቡ እዩ እሞ፡ ሽዑ ብእግዚኣብሄር ደስ ክብለካ እዩ፡ ኣነ ድማ ናብቲ በረኽቲ ምድሪ ኸደይበካ፡ ርስቲ ኣቦኻ ያእቆብውን ከብልዓካ እየ።
ትን. ኢሳይያስ ምዕራፍ 59
1እንሆ፡ ኢድ እግዚኣብሄር ንምድሓን ሓጻር ኣይኰነትን፡ ከይሰምዕ ከኣ እዝኑ ኣይጻንዖን እዩ። 2-3ግናኸ ኣእዳውኩም ብደም፡ ኣጻብዕኩም ብበደል ረኺሰን፡ ከናፍርኩም ሓሶት ይዛረባ፡ ልሳንኩም ከኣ ክፍኣት ይናገር ኣሎ እሞ፡ ንኣኻትኩምን ንኣምላኽኩምን ኣብ መንጎኹም ኰይኑ ዝፈላለየኩምሲ ኣበሳኹም እዩ፡ ከይሰምዓኩም ከኣ፡ ኣብ ቅድሜኹም ገጹ ዘሕብኣልኩም ሓጢኣትኩም እዩ። 4ብጽድቂ ዝጠርዕ ሓደ እኳ የልቦን፡ ብሓቂ ዝምጒት ሓደ እኳ የልቦን፡ ኣብ ከንቱነት ይውከሉ፡ ሓሶት ከኣ ይዛረቡ፡ እከይ ይጠንሱ፡ ሓጢኣትውን ይወልዱ ኣለው። 5እንቋቑሖ ገበል ይሓቑፉ፡ ዓለባ ሳሬት ከኣ ይኣልሙ፡ እቲ ኻብ እንቋቕሖ ዝበልዕ ይመውት፡ ካብቲ እተጨፍለቐ ድማ መንደልቶ ይነቁሕ። 6ዓለባኦም ክዳን ኣይከውንን፡ ብግብሮም ከኣ ኣይክኽደኑን እዮም። ግብሮም ግብሪ እከይ እዩ፡ ኣብ ኣእዳዎም ድማ ግብሪ ዓመጻ ኣሎ። 7ኣእጋሮም ናብ እከይ ይጐይ፡ ንጹህ ደም ንምፍሳስ ይቕልጥፉ፡ ሓሳቦም ሓሳብ እከይ እዩ፡ ጥፍኣትን ምዕናውን ኣብ መገድታቶም ኣሎ። 8ንመገዲ ሰላም ኣይፈልጥዋን፡ ኣብ ኣኻይዳኦም ቅንዕና የልቦን፡ ንመገድታቶም ይጠዋውይዎ፡ እቲ ብእኡ ዝኸይድ ዘበለ ንሰላም ከቶ ኣይፈልጣን።
9ስለዚ ቕንዕና ኻባና ረሓቐ፡ ጽድቂውን ኣየርክበናን እዩ። ንብርሃን ንጽበ፡ እንሆ ኸኣ ጸልማት፡ ንድሙቕ ብርሃን ንጽበ፡ ግናኸ ብጸልማት ኢና እንመላለስ ዘሎና። 10ከም ዕውራት ንመንደቕ ሃሰስ ንብሎ፡ እወ፡ ከምቶም ዓይኒ ዘይብሎም ሃሰስ ንብሎ ኣሎና፡ ቀትሪ ኸሎስ፡ ከም ብግዜ ጽልግልግታ ደርገፍገር ንብል። ምስ ምሉእ ሓይልና ኸም ምውታት ኰንና። 11ኲላትና ኸም ድብታት ንሃብብ፡ ከም ረገቢት ንቑዝም፡ ንቕንዕና ንጽበ ኣሎና፡ ግናኸ የልቦን፡ ንምድሓን፡ ንሱውን ካባና ርሑቕ እዩ።
12ገበንና ኣብ ቅድሜኻ ብዙሕ እዩ እሞ፡ ሓጢኣትና ድማ ይምስክረልና ኣሎ። ገበንና ምሳና እዩ ዘሎ እሞ፡ ንኣበሳና ንፈልጦ ኢና፡ 13ካብ እግዚኣብሄር ዓሎና ኽሓድናዮውን፡ ንኣምላኽና ኸይንስዕቦ ድማ ተዝሓጥና፡ ግፍዕን ዕልወትን ተዛረብና፡ ዘረባ ሓሶት ጠኒስና ኻብ ልብና ደርጓሕናዮ። 14ፍርዲ ድማ ንድሕሪት ኣቢሉ ተመልሰ፡ ጽድቂ ኸኣ ኣብ ርሑቕ ቈመ፡ ሓቂ ኣብ ኣደባባይ ወዲቑ እዩ እሞ፡ ቅንዕና ኽኣቱ ኣይተኻእሎን። 15እወ፡ ሓቂ ተሳእነ፡ እቲ ኻብ እከይ ዝርሕቕ ድማ ርእሱ ንዘመተ ይውፊ፡ እግዚኣብሄር እዚ ረኣየ፡ ቅንዕና ስለ ዘየልቦ ኸኣ ጐሃየ።
16ደጊም ሓደ እኳ ኸም ዘየልቦ ረኣየ፡ ሓደ እኳ ዘማልድ ስለ እተሳእነ ተገረመ። ሽዑ ቕልጽሙ ረድኦ፡ ጽድቁውን ደገፎ። 17ንጽድቂ ኸም ድርዒ ገይሩ ተኸድኖ፡ ኣብ ርእሱ ድማ ናይ ምድሓን ቁራዕ ርእሲ ኣእተወ። ክዳን ምፍዳይ ሕነ ኸኣ ተወንዘፈ፡ ንጸዓትውን ከም ባርኖስ ገይሩ ለፈፎ። 18ከከም ግብሮም ክፈድዮም እዩ፡ ኲራ ንተጻረርቱ፡ ፍዳ ንጸላእቱ፡ ንደሴታትውን ፍዳ ኽህብ እዩ። 19እምበኣርሲ ስም እግዚኣብሄር ካብ ምዕራብ፡ክብሩ ኸኣ ካብ ምብራቕ ጸሓይ ክፍራህ እዩ። ጸላኢ ኸም ውሒዝ ደሪኹ እንተ መጸ፡ ትንፋስ እግዚኣብሄር ክሰጎ እዩ። 20ንጽዮንን ነቶም ካብ ምዕላዎም ናብ ያእቆብ ዝምለሱን ተበጃዊ ኽመጽእ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር። 21ኣነስ ኪዳነይ ምሳታቶም እዚ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ እቲ ኣባኻ ዘሎ መንፈሰይን፡ እተን ኣብ ኣፍካ ዘንበርክወን ቃላተይን ካብ ኣፍካ ወይስ ካብ ኣፍ ደቅኻ ወይ ካብ ኣፍ ደቂ ደቅካ ኻብ ሕጂ ኽሳዕ ዘለኣለም ኣይክርሕቕን እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
ትን. ኢሳይያስ ምዕራፍ 60
1ብርሃንኪ መጺኡ፡ ክብሪ እግዚኣብሄር ከኣ ወጺኡልኪ እዩ እሞ፡ ተንስኢ፡ ብርሂ። 2እንሆ፡ ጸልማት ንምድሪ፡ ጣቓ ድማ ንህዝብታት የጐልብቦም፡ ግናኸ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሌኺ ኽወጽእ፡ ክብሩውን ኣብ ልዕሌኺ ኽርእ እዩ። 3ኣህዛብ ናብ ብርሃንኪ፡ ነገስታት ከኣ ናብ ጸዳል ምብራቕኪ ኽመጹ እዮም። 4ኣዒንትኺ ናብ ዙርያ ቛሕ ኣብሊ እሞ ጠምቲ፡ ኲሎም ተኣኪቦም ናባኺ ይመጹ ኣለው፡ ኣወዳትኪ ኻብ ርሑቕ፡ ኣዋልድኪውን ተሓቑፈን ይመጹ ኣለው። 5ምልኣት ባሕሪ ናባኺ ኽምለስ፡ ሃብቲ ኣህዛብ ከኣ ናባኺ ኽመጽእ እዩ እሞ፡ ሽዑ ኽትርእዪ፡ ብታሕጓስ ድማ ከተንጸባርቒ ኢኺ፡ ልብኺውን ትርግርግ ክብልን ክርሕብን እዩ። 6ብዝሒ ኣግማልን ረብዓት ኣግማል ሚድያንን ኤፋን ኪለማኺ እየን፡ ኲላቶም ካብ ሳባ ኽመጹ፡ ወርቅን ዕጣንን ከምጽኡ፡ ውዳሴ እግዚኣብሄር ከኣ ክነግሩ እዮም። 7ኲላተን መጓሴታት ቄዳር ናባኺ ኽእከባ፡ ድቤላታት ኔባዩት ከገልግሉኺ፡ ባህ ንምባለይ ናብ መሰውእየይ ክስውኡ እዮም፡ ኣነውን ንቤት ክብረይ ከኽብሮ እየ።
8እዞም ከም ደበናን ከም ናብ ኣባይተን ዝነፍራ ረገቢትን ዝመጹ እንታዎት እዮም 9ደሴታት ይጽበያኒ፡ ንሱ ኣኽቢሩኪ እዩ ኣሞ፡ ንደቅኺ ምስ ብሩሮምን ወርቆምን ናብ ስም እግዚኣብሄር ኣምላኽኪ፡ ናብቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ፡ ካብ ርሑቕ ምእንቲ ኸምጽኣስ፡ መራኽብ ተርሲስ ቅድም ክመጻ እየን። 10ብዂራይ ወቒዐኪ፡ ብለውሃተይ ግና ምሒረኪ እየ እሞ፡ ደቂ መጻእተኛታት ንቐጽርኺ ኽነድቅዎ፡ ነገስታቶም ከኣ ከገልግሉኺ እዮም። 11-12እቲ ዘይግዝኣኪ ህዝብን መንግስትን ክጠፍእ፡ እወ፡ እዞም ኣህዛብ ብጥራስ ክጸንቱ እዮም እሞ፡ ሃብቲ ኣህዛብ ምእንቲ ኸእትውልኪ፡ ነገስታቶም ድማ ተዓጅቦም ክኣትውኽስ፡ ደጌታትኪ ዂሉ ግዜ ኽፋት ክኸውን፡ ለይትን መዓልትን ኣይክዕጾን እዩ። 13ነቲ ስፍራ መቕደሰይ ምእንቲ ኽስልምዎ፡ ክብሪ ሊባኖስ፡ ጽሕድን ሙዝን ዝበን፡ ሓቢሮም ክመጹኺ እዮም። ኣነውን ንስፍራ መርገጽ እግረይ ከኽብሮ እየ። 14ደቂ ጠቓዕትኺ እናደነኑ ናባኺ ኽመጹ፡ እቶም ዝነዓቑኺ ዂሎም ድማ ናብ ትሕቲ ኣእጋርኪ ፍግም ክብሉ እዮም እሞ፡ ከተማ እግዚኣብሄር፡ ጽዮን ናይ እስራኤል ቅዱስ፡ ኢሎም ክሰምዩኺ እዮም።
15ኣብ ክንዲ እቲ ሓደ እኳ ዘየግልሰኪ ሕድግትን ጽልእትን ዝነበርኪ፡ ኣነ ዘለኣለማዊ መሓበንን ንውሉድ ወለዶ ኸኣ ደስታን ክገብረኪ እየ። 16ጸባ ኣህዛብ ክትጠብዊ፡ ኣጥባት ነገስታት ከኣ ክትጠብዊ ኢኺ። ኣነ እግዚኣብሄር መድሓኒኺ፡ እቲ ናይ ያእቆብ ስልጡን ተበጃዊኺ ምዃነይውን ክትፈልጢ ኢኺ። 17ኣብ ክንዲ ነሃሲ ወርቂ ኸምጽእ፡ ኣብ ክንዲ ሓጺን ብሩር፡ ኣብ ክንዲ ዕጨይቲ ኸኣ ነሃሲ፡ ኣብ ክንዲ እምኒውን ሓጺን ከምጽእ እየ። ኣሕሉቑኪ ሰላም፡ ሹማምትኺ ድማ ጽድቂ ኽገብር እየ። 18ድሕርዚ ዓመጽ ኣብ ምድርኺ፡ ጥፍኣትን ምዕናውን ኣብ ዶብኪ ኣይክስማዕን እዩ። ግናኸ ንቐጽርታትኪ ምድሓን፡ ንዴጌታትኪ ኸኣ ምስጋና ኢልኪ ኽትሰምይየን ኢኺ። 19እግዚኣብሄር ዘለኣለማዊ ብርሃንኪ፡ ኣምላኽኪ ድማ ክብርኺ ክኸውን እዩ እምበር፡ ድሕርዚ ጸሓይ ብመዓልቲ ብርሃንኪ ኣይክትከውንን፡ ወርሒ ኸኣ ብምድማቓ ኣይከተብርሃልክን እያ። 20እግዚኣብሄር ዘለኣለማዊ ብርሃንኪ ክዀነልኪ፡ መዓልትታት ሓዘንኪ ኸኣ ክውድኣ እየን እሞ፡ ድሕርዚ ጸሓይኪ ኣይክትዓርብን፡ ወርሕኺ ድማ ኣይክትጐድልን እያ። 21ኲሎም ህዝቢ ብዘለው ጻድቃን ክዀኑ፡ ነታ ሃገር ከኣ ንዘለኣለም ክወርስዋ እዮም፡ ንሳቶም ንኽብረይ ዝኸውን ጨንፈር ተኽለይ፡ ግብሪ ኣእዳወይ እዮም። 22እቲ ንእሽቶስ ሽሕ፡ እቲ ኣዝዩ ውሑድ ከኣ ብርቱዕ ህዝቢ ክኸውን እዩ። ኣነ እግዚኣብሄር ነዚ ብግዜኡ ቐልጢፈ ኽገብሮ እየ።
ትን. ኢሳይያስ ምዕራፍ 61
1ንትሑታት ብስራት ከበስርሲ እግዚኣብሄር ቀቢኡኒ እዩ እሞ፡ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብ ልዕለይ እዩ። ንስቡራት ልቢ ኽዘንን፡ ንምሩኻት ሓርነት፡ ንእሱራት ከኣ ምፍታሕ ክእውጅ ለኣኸኒ። 2ዓመት ጸጋ እግዚኣብሄርን መዓልቲ ሕነ ኣምላኽናን ክእውጅ፡ ንዂሎም ሕዙናት ከጸናንዕ፡ 3ኣእዋም ጽድቂ፡ ንኽብሩ ዝኸውን ተኽሊ እግዚኣብሄር፡ ተብሂሎም ምእንቲ ኽስመዩ ድማ፡ ንሕዙናት ጽዮን ኣብ ክንዲ ሓመዂስቲ ዘውዲ ኽደፍኣሎም፡ ኣብ ክንዲ ሓዘን ከኣ ዘይቲ ሓጐስ፡ ኣብ ክንዲ መንፈስ ጓሂውን ክዳን ምስጋና ኽህቦም ለኣኸኒ።
4ነቲ ናይ ቀደም ዑናታት ክሃንጹ፡ ነቲ ቐደም ዝባደመ ከቑሙ፡ ነተን ካብ ውሉድ ወለዶ ዝዓነዋ ፍሩሳት ከተማታት ክሕድሱ እዮም። 5ጓኖት ደው ኢሎም ንመጓሴታትኩም ክጓስዩ፡ መጻእተኛታት ድማ ሓረስቶትኩምን ናበይቲ ኣታኽልቲ ወይንኹምን ክዀኑ እዮም። 6ንስኻትኩም ግና ካህናት እግዚኣብሄር ክትስመዩ ኢኹም፡ ሰብ ከኣ ኣገልገልቲ ኣምላኽና ኽብለኩም እዩ፡ ሃብቲ ኣህዛብ ክትበልዑ ብኽብሮም ድማ ክትከብሩ ኢኹም። 7ኣብ ክንዲ ነውርኹም ካዕበት ክትቅበሉ ኢኹም፡ ኣብ ክንዲ ጸርፊ ብዕድሎም ክሕጐሱ እዮም፡ ስለዚ ኣብ ሃገሮም ካዕበት ክግንዘቡ፡ ዘለኣለማዊ ሓጐስ ድማ ክረኽቡ እዮም። 8ኣነ እግዚኣብሄር ንቕንዕና አፍቅሮ፡ ንኸትርን ዓመጻን እጸልኦ እየ እሞ፡ ኢዶም ብሓቂ ኽፈድዮም፡ ዘለኣለማዊ ኪዳን ከኣ ምስኦም ክኣቱ እየ። 9ዘርኦም ድማ ኣብ ኣህዛብ፡ ትውልዶም ከኣ ኣብ ህዝብታት ፍሉጥ ክኸውን እዩ። እቶም ዝርእይዎም ኲሎም እግዚኣብሄር ዝባረኾም ዘርኢ ምዃኖም ክፈልጡ እዮም። 10ከምቲ ኣኽሊል ኣብ ርእሱ ዝደፍእ መርዓዊ፡ ከምታ ብስልማት እተሰለመት መርዓት፡ እግዚኣብሄር ልብሲ ምድሓን ኣልቢሱኒ፡ ብመርግፍ ጽድቂውን ኣጐልቢቡኒ እዩ እሞ፡ ብእግዚኣብሄር ኣዝየ እሕጐስ፡ ነፍሰይ ብኣምላኸይ ባህ ይብላ ኣሎ። 11ከምቲ ምድሪ ብቋልያኣ እተውጽእ፡ ከምቲ ኣታኽልቲ ኸኣ ዘርኡ ዘብቁል ከምኡውን እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብ ቅድሚ ዂሎም ኣህዛብ ጽድቅን ምስጋናን ከብቁል እዩ።
ትን. ኢሳይያስ ምዕራፍ 62
1ጽድቃ ኸም ድሙቕ ብርሃን፡ ምድሓና ኸኣ ከም ሃልሃልታ ፋና ማሕ ክሳዕ ዝብል፡ ስለ ጽዮን ስቕ ኣይክብልን፡ ስለ የሩሳሌም ድማ ኣይክዓርፍን እየ። 2ኣህዛብ ንጽድቅኺ፡ ኲሎም ነገስታት ከኣ ንኽብርኺ ኽርእዩ እዮም፡ በቲ ኣፍ እግዚኣብሄር ዘውጽኦ ሓድሽ ስም ክትስመዪ ኢኺ። 3ኣብ ኢድ እግዚኣብሄር ክቡር ኣኽሊል፡ ኣብ ኢድ ኣምላኽኪ ድማ ዘውዲ ንጉስ ክትኰኒ ኢኺ። 4ድሕርዚ ሕድግቲ ኣይክትበሃልን ኢኺ፡ ሃገርኪ ኸኣ ጸምጸም በረኻ ኣይክትበሃልን እያ። እግዚኣብሄር ባህ ኢሉልኪ፡ ሃገርኪ ድማ ሔምኣ ረኺባ እያ እሞ፡ ንስኽስ፡ ደስታይ ኣብኣ እዩ፡ ክትስመዪ ኢኺ፡ ሃገርኪውን ሔማ ኽትበሃል እያ። 5ከምቲ ጐበዝ ንድንግል ዝምርዖ፡ ከምኡ ደቅኺ ኽምርዓውኺ እዮም እሞ፡ መርዓዊ ብመርዓቱ ኸም ዝሕጐስ፡ ከምኡ ኣምላኽኪ ብኣኺ ኽሕጐስ እዩ።
6ዎ የሩሳሌም፡ ኣብ ልዕሊ ቐጽርኺ ሓለውቲ ኣቑመ ኣሎኹ፡ ለይትን መዓልትን ከቶ ስቕ ኣይክብሉን እዮም። ኣቱም ንእግዚኣብሄር እተዘክርዎ፡ ኣይትዕረፉ። 7ንየሩሳሌም ክሳዕ ዘጽንዓ፡ ኣብ ምድሪውን መመስገኒ ኽሳዕ ዝገብራ ኣይተዕርፍዎ። 8-9እግዚኣብሄር ብየማናይ ኢዱን ብሓያል ቅልጽሙን መሓለ፡ እቶም ዝኣከብዎ ኽበልዕዎ፡ ንእግዚኣብሄር ከኣ ከመስግንዎ እዮም፡ እቶም ዘእተውዎ ድማ ኣብ ኣጸድ መቕደሰይ ኰይኖም ክሰትይዎ እዮም እምበር፡ ብሓቂ፡ ድሕርዚ እኽልኺ ንጸላእትኺ ምግቢ ክዀኖም ኢለ ኣይክህቦምን እየ፡ ነቲ ዝጸዓርክሉ ወይንኺ ኸኣ ጓኖት ኣይክሰትይዎን እዮም።
10ሕለፉ፡ ብደጌታት ሕለፋ፡ መገዲ ነቲ ህዝቢ ኣዳልዉሉ፡ ኣጣጥሑ፡ መገዲ ጽርግያ ኣጣጥሑ፡ ኣእማን ጽረጉ፡ ንህዝብታት ሰንደቕ ዕላማ ኣልዕሉሎም። 11እንሆ፡ እግዚኣብሄር ክሳዕ ወሰን ምድሪ ኣወጀ፡ ንጓል ጽዮን፡ እንሆ፡ ምድሓንኪ ይመጽእ ኣሎ፡ እንሆ፡ ደመወዙ ምስኡ ኣሎ፡ ዓስቡ ኸኣ ቀቅድሚኡ እዩ፡ በልዋ። 12ንሳቶም ድማ፡ ቅዱስ ህዝቢ፡ እግዚኣብሄር እተበጀዎም፡ ኢሎም ክሰምይዎም እዮም። ንስኺውን እትበሃግ፡ ዘይትሕደግ ከተማ ኽትበሃሊ ኢኺ።
ትን. ኢሳይያስ ምዕራፍ 63
1እዚ ብኽዳውንቱ ዘጌጸ፡ ብሓይሊ ጒልበቱ ዝሽነን፡ ካብ ኤዶም፡ ካብ ቦጽራ፡ ግምጃ ለቢሱ ዝመጽእ መን እዩ ኣነ እየ እቲ ብጽድቂ ዝዛረብ፡ ንምድሓን ስልጡን። 2ስለምንታይ ክዳንካ ቑሔ ስለምንታይከ ኣልባስካ ነቲ ናይ ርጋጽ ዘቢብ መሰለ 3-4መዓልቲ ምፍዳይ ሕነ ኣብ ልበይ ነይራ፡ ዓመት እቶም ብጅዋተይ ከኣ መጺኣ እያ እሞ፡ ኣነ በይነይ ነቲ መጽመቑ ዘቢብ ረገጽክዎ፡ ካብ ህዝብታት ሓደ እኳ ምሳይ ኣይነበረን። ብዂራይ ረገጽክዎም፡ ብነድረይ ድማ ጨፍለቕክዎም። ደሞም ኣብ ክዳውንተይ ተናጠረ፡ ብዘሎ ኣልባሰይ ከኣ ጸየቕኩ። 5ግልጽ በልኩ፡ ሓጋዚ ኸኣ ኣይነበረንን፡ ዝድግፈኒ ስለ ዘይተረኽበ ኸኣ ተዓነድኩ። ሽዑ ቕልጽመይ ኣድሓነኒ፡ ነድረይ ከኣ ደገፈኒ። 6ብዂራይ ንህዝብታት ረገጽክዎም፡ ብነድረይ ድማ ኣስከርክዎም፡ ደሞም ከኣ ኣብ ምድሪ ዂዖኹ።
7ኣነ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝገበረለና ዂሉ ሰናይ ግብርን፡ ከምቲ ንቤት እስራኤል ዝገበረላ ዓብዪ ግብርን ከም መጠን ምሕረቱን ዕቤት ለውሃቱን እናዘከርኩ፡ ሰናይ ግብሪ እግዚኣብሄርን ውዳሴኡን ክነግር እየ። 8ብሓቂ ህዝበይ ዘይጠልሙ ደቂ እዮም፡ በለ እሞ፡ መድሓኒኦም ኰነ። 9ኣብ ኲሉ ጸበባኦም ጸበቦ፡ መልኣኽ ገጹ ድማ ኣድሓኖም። ብፍቕሩን ብለውሃቱን ተበጀዎም፡ ብዝሓለፈ ዘመናት ኲሉ ግዜሓንገሮምን ሓዘሎምን። 10ንሳቶም ግና ዓለው፡ ንቅዱስ መንፈሱ ኸኣ ኣጒሃዩ፡ ስለዚ ጸላኢኦም ኰነ፡ ባዕሉውን ተዋግኦም። 11ሽዑ ንሱ ንዘመን ቀደምን ንሙሴን ንህዝቡን ዘከረ፡ እቲ ምስቶም ጓሶት መጓሴኡ ኻብ ባሕሪ ዘውጽኦም ኣበይ ኣሎ እቲ ንቅዱስ መንፈሱ ኣብ ውሽጦም ዘሕደረ ኣበይ ኣሎ 12እቲ ንኽቡር ቅልጽሙ ኣብ የማን ሙሴ ዘሕለፈ፡ እቲ ንርእሱ ዘለኣለማዊ ስም ምእንቲ ኽገብር፡ ኣብ ቅድሚኦም ማያት ዝኸፈለ፡ 13እቲ ኸም ፈረስ ኣብ በረኻ ኸይተዓንቀፈ ኣብ መዓሙቑ ዝመርሖም ኣበይ ኣሎ 14ከብቲ ናብ ለሰ ኸም ዝወርዳ፡ ከምኡ መንፈስ እግዚኣብሄር ናብ ዕረፍቲ ኣብጽሖም፡ ንርእስኻ ኽቡር ስም ክትገብርሲ፡ ንህዝብኻ ኸምኡ ጌርካ መራሕካዮም።
15ካብ ሰማይ ኣመንጽር፡ ካብቲ ማሕደር ቅድስናኻን ግርማኻን ከኣ ጠምት፡ ጸዓትካን ስልጡን ግብርኻን ኣበይ ኣሎ፧ ርሕራሐ ልብኻን ምሕረትካን ካባይ ተኸልከለ። 16ንስኻ ደኣ ኢኻ ኣቦና፡ ኣብርሃም ኣይፈልጠናን፡ እስራኤል ድማ ኣየለልየናን እዩ እሞ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ንስኻ ኢኻ ኣቦና፡ ስምካ ኸኣ ካብ ዘለኣለም ተበጃዊና እዩ። 17ዎ እግዚኣብሄር፡ ካብ መገድኻ ክንዘብል፡ ከይንፈርሃካ ድማ ልብና ኽተርር ዝሓደግካና ስለምንታይ ኢኻ ስለ ባሮትካ፡ ስለ ነገድ ርስትኻ ኢልካ ተመለስ። 18እቲ ቅዱስ ህዝብኻ ንሓጺር ዘመን ጥራይ ተረስተየ፡ ጸላእትና ንመቕደስካ ረገጽዋ። 19ከምቶም ካብ ጥንቲ ዘይመለኽካዮም፡ ከምቶም ብስምካ ዘይተሰምዩ ዄንና ኣሎና።
ትን. ኢሳይያስ ምዕራፍ 64
1መንሞ ኽህብ ንሰማያት ጨንዲሕካ እንተ ትወርድ፡ ኣኽራን ኣብ ቅድሜኻ ነነይ ምበሉ፡ 2ሓዊ ንቐሸም ከም ዘንድዶ፡ ሓዊውን ንማይ ከም ዘፍልሖ፡ ስምካ ኣብ ጸላእትኻ ምእንቲ ኸተፍልጥ ኣህዛብ ከኣ ኣብ ቅድሜኻ ራዕራዕ ክብሉስ፡ 3ዘይተጸቤናዮ ዘገርም ግብሪ ምስ ገበርካ፡ ወረድካ፡ ኣኽራን ድማ ኣብ ቅድሜኻ ነነይ በሉ። 4ነቶም ዝጽበይዎ ኸምቲ ንስኻ ዝገበርካሎም ዝገብር ካልእ ኣምላኽ ካብ ጥንቲ ኣይተሰምዐን፡ ኣብ እዝኒ ኣይተዘነየን፡ ዓይኒውን ከቶ ኣይረኣየቶን። 5ነቲ ተሓጒሱ ጽድቂ ዝገብር፡ ነቶም ኣብ መገድኻ ዝዝክሩኻ ትቃባበሎም። እንሆ፡ ንስኻ ዀሬኻ፡ ንሕና ሓጢኣት ገበርና፡ ብእኡ ነዊሕ ዘመን ነበርና፡ ንድሕን ዶዀን ንኸውን 6ኲላትና ኸም ሓደ ርኹስ ኰንና፡ ብዘሎ ጽድቅና ኸኣ ከም ጽዩቕ ክዳን እዩ፡ ኲላትና ኸም ቈጽሊ ቐምሰልና፡ ኣበሳና ድማ ከም ንፋስ ይብቁጸና ኣሎ። 7ገጽካ ኸዊልካልና፡ ብሰሪ ኣበሳና ኸኣ ደርቢኻና ኢኻ እሞ፡ ስምካ ዝጽውዕን ንኣኻ ኽሕዝ ኢሉ ዝትንስእን ሓደ እኳ የልቦን።
8ሕጂ ግና፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ንስኻ ኣቦና ኢኻ፡ ንሕና መሬት ኢና፡ ንስኻ ድማ ሰራሒና ኢኻ፡ ኲልናውን ግብሪ ኢድካ ኢና። 9ዎ እግዚኣብሄር፡ እምብዛ ኣይትቈጣዕ፡ ኣበሳውን ንሓዋሩ ኣይትዘክር። እንሆ፡ ጠምት፡ ንልምነካ ኣሎና፡ ኲልና ህዝብኻ ኢና። 10እተን ቅዱሳት ከተማታትካ በረኻ ዀይነን፡ ጽዮን በረኻ ዀይና፡ የሩሳሌም ዖንያ። 11እታ ኣቦታትና ንኣኻ ዘመስገኑላ ቅድስትን ክብርትን ቤትና ብሓዊ ነደደት፡ እቲ ኽቡር ጥሪትናውን ብዘሎ በረሰ። 12ዎ እግዚኣብሄር፡ በዚ ነገር እዚዶ ኽትዘሓጥ ኢኻ፧ ስቕ ክትብል እሞ እምብዛዶ ኸተጨንቕና ኢኻ፧
ትን. ኢሳይያስ ምዕራፍ 65
1እቶም ግደይ ዘይገብሩ ደለዩኒ፡ እቶም ዘይደለዩኒ ድማ ረኸቡኒ። ነቲ ብስመይ ዘይተሰምየ ህዝቢ ኸኣ፡ እኔኹ፡ እኔኹ፡ በልክዎ። 2ነቲ ሰናይ ብዘይኰነት መገዲ ደድሕሪ ሓሳብ ርእሱ ዝመላለስ ዓለወኛ ህዝቢ ምሉእ መዓልቲ ኢደይ ዘርጋሕኩሉ። 3እቲ መመሊሱ ኣብ ቅድመይ ዘዀርየኒ ህዝቢ፡ ኣብ ኣታኽልቲ ዝስውእ፡ ኣብ ልዕሊ ጡብ ከኣ ዕጣን ዝዓጥን፡ 4ኣብ መቓብራት ዝሰፍር፡ ኣብ ሕቡእ ስፍራ ዝሓድር: ስጋ ሓሰማ ዝበልዕ: ኣብ ጻሕሉ ኸኣ ርኹስ ምግቢ ዘለዎ፡ 5እቲ፡ ካብኻ ኣነ ኣዝየ ቅዱስ እየ እሞ፡ ካባይ ርሓቕ፡ ኣይትቕረበኒ፡ ዝብል ህዝቢ፡ እዚ ኣቶም ኣብ ኣፍንጫይ ትኪ፡ ምሉእ መዓልቲ ዝነድድ ሓዊ እዮም። 6-7እንሆ፡ እዚ ኣብ ቅድመይ ጽሑፍ ኣሎ፡ ፍዳ ኸፈድዮም እየ እምበር፡ ስቕ ኣይክብልን እየ፡ እወ፡ ንኣበሳኹም ምስኡውን ንኣበሳ ኣቦታትኩም ኣብ ሕቑፎም ክፈድዮም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር። ኣብ ኣኽራን ዕጣን ዓጠኑ፡ ኣብ ኲድዂዶታት ከኣ ጸረፉኒ፡ ስለዚ ኣቐዲመ ግብሮም ኣብ ሕቑፎም ክሰፍረሎም እየ።
8እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል፡ ከምቲ ሓድሽ ወይኒ ኣብ ዘለላ ምስ ዝርከብ፡ በረኸት ኣለዎ እሞ፡ ኣይተጥፍእዎ፡ ዝበሃል፡ ኣነውን ንዂላቶም ከየጥፍኦምሲ፡ ስለ ባሮተይ ኢለ ኸምኡ ኽገብር እየ። 9ካብ ያእቆብ ዘርኢ፡ ካብ ይሁዳ ኸኣ ወራስ ኣኽራነይ ከውጽእ እየ። ሕሩያተይ ክወርስዋ፡ ባሮተይ ከኣ ኣብኣ ኽነብሩ እዮም። 10ነቲ ዝደለየኒ ህዝበይ ከኣ ሳሮን መጓሰዪ ኣባጊዕ፡ ለሰ ኣኮርውን መደቀሲ ከብቲ ክኸውን እዩ።
11ንስኻትኩም ግና ንእግዚኣብሄር እትሓድጉ፡ ንቅዱስ ከረነይ እትርስዑ፡ ንጋድ መኣዲ እትሰርዑሉ፡ ንሜኒ ኸኣ ወይኒ እተስልፍዎ፡ 12ጻዋዕኩኹም፡ ኣይመለስኩምን፡ ተዛረብኩ፡ ጽን ድማ ኣይበልኩምን፡ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ደኣ እከይ ገበርኩም፡ ነቲ ባህ ዘየብለኒ ኸኣ ሓሪኹም ኢኹም እሞ፡ ኣነ ንሰይፊ እምድበኩም፡ ኲላትኩምውን ንማሕረዲ ኽትጒምበሱ ኢኹም።
13ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል፡ እንሆ፡ ባሮተይ ክበልዑ፡ ንስኻትኩም ግና ክትጠምዩ ኢኹም፡ እንሆ፡ ባሮተይ ክሰትዩ፡ ንስኻትኩም ግና ክትጸምኡ ኢኹም፡ እንሆ፡ ባሮተይ ክሕጐሱ፡ ንስኻትኩም ግና ክትሓፍሩ ኢኹም። 14እንሆ፡ ባሮተይ ብሓጐስ ልቢ እልል ክብሉ፡ ንስኻትኩም ግና ብጓሂ ልቢ ኽትግዕሩ፡ መንፈስኩም ስለ እተሰባበረ ኸኣ፡ ዋይ ዋይ ክትብሉ ኢኹም። 15ስምኩም ድማ ኣብቶም ሕሩያተይ ንመራገሚ ኽትሓድጉ ኢኹም፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ክቐትለካ እዩ፡ ንባሮቱ ግና ብኻልእ ስም ክሰምዮም እዩ፡ 16እቲ ናይ ቀደም ጸበባ ተረሲዑ፡ ካብ ኣዒንተይ ድማ ተሰዊሩ እዩ እሞ፡ እቲ ንነፍሱ ኣብ ምድሪ ዝባርኽ፡ ብኣምላኽ ሓቂ እዩ ዝባርኽ፡ እቲ ኣብ ምድሪ ዝምሕል ከኣ ብኣምላኽ ሓቂ እዩ ዝምሕል።
17እንሆ፡ ኣነ ሓድሽ ሰማይን ሓድሽ ምድርን ክፈጥር እየ እሞ፡ እቲ ናይ ቀደም ኣይክሕሰብን እዩ። 18ግናኸ እንሆ፡ የሩሳሌም ንእልልታ፡ ህዝባ ኸኣ ንሓጐስ ክፈጥር እየ እሞ፡ በቲ ኣነ ዝፈጥሮስ ክሕጐሱን ንዘለኣለም ደስ ክብለኩምን እዩ። 19ኣነ ድማ ብየሩሳሌም እልል ክብል፡ ብህዝበይውን ደስ ክብለኒ እዩ፡ ድምጺ ብኽያትን ድምጺ ኣውያትን ድሕርዚ ኣብኣ ኣይክስማዕን እዩ። 20ሚእቲ ዓመት ገይሩ ዝመውት ብንእስነቱ ይመውት፡ ሓጢኣተኛ ኸኣ ሚእቲ ዓመት ምስ ገበረ እዩ ዝርገም እሞ፡ ድሕርዚ ሓጺር ዝዕምሩ ሕጻንን ዕድሚኡ ዘየብጽሐ ኣረጊትን ኣይክርከብን እዩ። 21ኣባይቲ ኽሰርሑን ክነብሩለንን እዮም፡ ኣታኽልቲ ወይኒ ኽተኽሉ፡ ፍሬኡውን ክበልዑ እዮም። 22ዕድመ ህዝበይ ከም ዕድመ ኦም ክኸውን፡ ሕሩያተይ ድማ ጻማ ግብሪ ኣእዳዎም ክበልዑ እዮም እሞ፡ ካልኦት ዝነብሩሉ ኣባይቲ ኣይክሰርሑን፡ ካልኦት ፍሬኡ ዝበልዕዎ ኸኣ ኣይክተኽሉን እዮም። 23ንሳቶም ዘርኢ እቶም ብሩኻት እግዚኣብሄር እዮም፡ ተርፎም ከኣ ምሳታቶም ክነብር እዩ እሞ፡ ንኸንቱ ኣይክጽዕሩን፡ ብድንገት ዝሞቱ ደቂ ኣይክውለዱን እዮም። 24ክኸውን ድማ እዩ፡ ከይጸውዑ ኽመልስ፡ ገና ኽዛረቡ ኸለው ኸኣ ክሰምዕ እየ። 25ተዂላን ዕየትን ብሓደ ኽጓሰዩ እዮም፡ ኣንበሳ ከም ብዕራይ ሓሰር ክበልዕ፡ ተመን ከኣ ሓመድ ክቕለብ እዩ። ኣብ ኲሉ እቲ ቅዱስ ከረነይ ኣይክጐድኡን ኣይከጥፍኡን እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር።
ትን. ኢሳይያስ ምዕራፍ 66
1እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል፡ ሰማይ ዝፋነይ እዩ፡ ምድሪ ኸኣ መርገጽ እግረይ እያ። እቲ ንስኻትኩም እትሰርሑለይ ቤት ደኣ ኸመይ ዝበለ እዩ እቲ ኣነ ዝዓርፈሉ ስፍራኸ ኸመይ ዝበለ እዩ 2ኢደይ እያ ነዚ ዂሉ ዝገበረቶ፡ እዚ ኸኣ ኰይኑ ኣሎ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ግናኸ ኣብቲ ሽጉርን ድቑስን መንፈስ ዘለዎን ብቓለይ ዝርዕድን ሰብ ደኣ እየ ዝጥምት ዘሎኹ። 3እቲ ብዕራይ ዝሓርድ፡ ከምቲ ንሰብ ዝቐትል እዩ፡ እቲ ገንሸል ዝስውእ ከምቲ ንኽሳድ ከልቢ ዝሰብር እዩ፡ እቲ ንመስዋእቲ ብልዒ ዘቕርብ ከምቲ ደም ሓሰማ ዝስውእ እዩ፡ እቲ ዕጣን ዝዓጥን ከምቲ ንጣኦት ዘመስግን እዩ። እወ፡ መገድታት ርእሶም ሓረዩ፡ ነፍሶም ድማ ብጽያፎም ባህ በላ። 4ኣብ ቅድሚ ዓይነይ እኩይ ገበሩ፡ ባህ ዘየብለኒውን ሓረዩ እምበር፡ ጸዊዐ ሓደ እኳ ኣይመለሰለይን፡ ተዛሪበ ኸኣ ኣይሰምዑንን እሞ፡ ኣነ ኸኣ ጒድኣቶም ክሓሪ፡ ዘሰክሖም ድማ ከውርደሎም እየ።
5ኣቱም ብቓሉ እትርዕዱ፡ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ፡ እቶም ዝጸልኡኹምን ብዛዕባ ስመይ ዝሰጉኹምን ኣሕዋትኩም፡ ሓጐስኩም ምእንቲ ኽንርእስ፡ እግዚኣብሄር ይኽበር፡ ይብሉ፡ ግናኸ ክሓፍሩ እዮም። 6ድምጺ ታዕታዕ ካብ ከተማ፡ ድምጺ ኻብ ቤት መቕደስ ይስማዕ ኣሎ፡ ድምጺ እቲ ንጸላእቱ ፍዳ ዝፈዲ እግዚኣብሄር እዩ።
7ቅልውላው ከይሓዛ ወለደት፡ ከይተጻዕረት ከኣ ወዲ ወለደት። 8ከምዚ ዘመሰለ መን ሰምዐ ከምዚ ዝበለኸ መን ረኣየ ሃገርዶ ብሓንቲ መዓልቲ ጽዒራ ትወልድ እያ ህዝቢዶኸ ብሓንቲ ግዜ ይውለድ እዩ ጽዮን ግና ቅልውላው ምስ ሓዛ፡ ብኡብኡ ደቃ ወለደት። 9ኣነ ንምውላድ ዘብጻሕኩስ፡ ሓይሊ ምውላድዶ ኣይህብን እየ ይብል እግዚኣብሄር። ኣነ ንምውላድ ሓይሊ ዝህብከ፡ ንማሕጸንዶ እዓጹ እየ ይብል ኣምላኽኪ።
10-11ክትጠብውን ኣብ ኣጥባት ምጽንንዓ ኽትጸግቡን፡ ክትምጥምጡን ብብዝሒ ኽብረት ኽፍሽሕወኩምንሲ፡ ምስ የሩሳሌም ተሓጐሱ፡ ኣቱም እተፍቅርዋ ዂላትኩም ከኣ ብእኣ ደስ ይበልኩም። ኣቱም ዝሓዘንኩምላ ዂላትኩም፡ ተሓጒስኩም ምስኣ እልል በሉ። 12እግዚኣብሄርሲ ኸምዚ ይብል ኣሎ፡ እንሆ፡ ሰላም ከም ፈሳሲ ርባ፡ ክብረት ኣህዛብ ከኣ ከም ደምሳሲ ውሒዝ ከውሕዘላ እዩ፡ ንስኻትኩም ድማ ክትጠብው፡ ክትሕቈፉ ኢኹም፡ ኣብ ኣብራኾም ከሳራስሩኹም እዮም። 13ከምቲ ኣደ ንውሉዳ እተጸናንዕ፡ ከምኡ ኸጸናንዓኩም እየ፡ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ኽትጸናንዑ ኢኹም። 14ልብኹም ከኣ እዚ ርእዩ ኽሕጐስ እዩ፡ ኣዕጽምትኹም ድማ ከም ዝጥጥዕ ሳዕሪ ሓይሊ ኽውስኽ እዩ። ኢድ እግዚኣብሄር ንባሮቱ ኽትፍለጥ እያ፡ ንጸላእቱውን ክቑጥዖም እዩ።
15ኲራኡ ብነድሪ፡ መግናሕቱ ኸኣ ብሃልሃልታ ሓዊ ኽፈዲ፡ እንሆ፡ እግዚኣብሄር ብሓዊ ኽመጽእ እዩ፡ ሰረገላታቱውን ከም ህቦብላ ክዀና እየን። 16እግዚኣብሄር ንነፍሲ ወከፍ ስጋ ዝለበሰ ብሓውን ሰይፍን ክፈርዶ እዩ እሞ፡ እቶም እግዚኣብሄር ዝቐትሎም ብዙሓት እዮም። 17እቶም ደድሕሪ እቲ ኣብ ማእከል ዘሎ ናብ ኣታኽልቲ ክኸዱ ንነፍሶም ዝቕድሱን ዘጽርዩን፡ ስጋ ሓሰማን ፍንፋንን ኣናጹን ዝበልዑ ዂሎም ብሓደ ኽጠፍኡ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር። 18ኣነ ግብሮምን ሓሳቦምን እፈልጥ እየ፡ ኲሎም ኣህዛብን ቋንቋታትን ዝእክበሉ ዘመን ይመጽእ ኣሎ፡ ንሳቶም ከኣ ክመጹን ክብረተይ ክርእዩን እዮም። 19ኣባታቶም ከኣ ትእምርቲ ኽገብር እየ፡ ነቶም ካባታቶም ዘምለጡ ናብ ኣህዛብ፡ ናብቶም መንትግ ዝውርውሩ ሰብ ተርሲስን ፋልን ሉድን ናብ ቱባልን ያዋንን፡ ናብተን ወረይ ዘይሰምዓ፡ ክብረይ ከኣ ዘይረኣያ ርሑቓት ደሴታትን ክልእኽ እየ፡ ንሳቶም ድማ ክብረይ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ክነግሩ እዮም። 20ከምቲ ደቂ እስራኤል ንመባኦም፡ ብጽሩይ ኣቕሓ ገይሮም፡ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ዘምጽእዎ፡ ንዂሎም ኣሕዋትኩም ድማ፡ መባእ እግዚኣብሄር ገይሮም፡ በፍራስን ብሰረገላታትን ብቓሬዛታትን በባቕልን ብፈጠናት ኣግማልን ካብ ኲሎም ኣህዛብ ናብቲ ቅዱስ ከረነይ ናብ የሩሳሌም ከምጽእዎም እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር። 21ካህናትን ሌዋውያንን ዝዀነ ኸኣ ካባታቶም ክወስድ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር። 22ከምቲ ኣነ ዝገብሮ ሓድሽ ሰማይን ሓድሽ ምድርን ኣብ ቅድመይ ዝነብር፡ ከምኡ ዘርእኹምን ስምኩምን ክነብር እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር። 23ክኸውን ድማ እዩ፡ ካብ ሰርቂ ወርሒ ኽሳዕ ሰርቂ ወርሒ፡ ካብ ሰንበት ከኣ ክሳዕ ሰንበት፡ ስጋ ዝለበሰ ዂሉ ኣብ ቅድመይ ክሰግድ ክመጽእ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር። 24ወጺኦም ከኣ ንሬሳታት እቶም ካባይ ዝዓለው ኽርእዩ እዮም፡ ሓሰኻኦም ኣይክመውትን፡ ሓዎም ድማ ኣይክጠፍእን እዩ እሞ፡ ንዂሉ ስጋውን መፈንፈኒ ክዀኑ እዮም።