መጽሓፍ መሳፍንቲ
1 2 3 4 5 6 7 8 9
10 11 12 13 14 15
16 17 18 19 20
21
መ. መሳፍንቲ ምዕራፍ 1
1ድሕሪ ሞት እያሱ ድማ ኰነ፡ ደቂ እስራኤል ንእግዚኣብሄር፡ ምስ ከነኣናውያን ንምውጋእ ካባና መን ቅድም ይደይብ፧ ኢሎም ሓተትዎ። 2እግዚኣብሄር ከኣ ይሁዳ ይደይብ፡ እንሃ፡ እታ ምድሪ ኣብ ኢዱ ሂበዮ እየ፡ በለ። 3ይሁዳ ኸኣ ንስምኦን ሓዉ፡ ምስ ከነኣናውያን ክንዋጋእሲ፡ ናብቲ ብጽሒተይ ምሳይ ደይብ፡ ኣነ ኸኣ ናብቲ ብጺሒትካ ምሳኻ ክኸይድ እየ፡ በሎ። ስምኦን ድማ ምስኡ ኸደ። 4ይሁዳ ድማ ናብኡ ደየበ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ንኸነኣናውያንን ንፈረዛውያንን ኣብ ኢዶም ሃቦም፡ ኣብ ቤዜቅ ዓሰርተ ሽሕ ሰብኣይ ቀተሉ። 5ንኣዶኒ-ቤዜቅ ከኣ ኣብ ቤዜቅ ረኸብዎ እሞ ተዋግእዎ፡ ንኸነኣናውያንን ንፈረዛውያንን ከኣ ሰዓርዎም። 6ኣዶኒ-ቤዜቅ ድማ ሃደመ፡ ንሳቶም ግና ደድሕሪኡ ስዒቦም ሓዝዎ፡ ዓብይዓበይቶ ኢደ እግሩ ኸኣ ቘረጽዎ። 7ኣዶኒ-ቤዜቅ ድማ፡ ዓብዓበይቶ ኢደ እግሮም እተቘርጹ ሰብዓ ነገስታት ኣብ ትሕቲ መኣደይ ርፍራፍ ይላቐሙ ነይሮም እዮም፡ ኣምላኽ ከምቲ ግብረይ ፈደየኒ፡ በለ። ናብ የሩሳሌም ኣምጽእዎ፡ ኣብኣ ኸኣ ሞተ። 8ደቂ ይሁዳ ድማ ንየሩሳሌም ተዋግእዋ፡ ብስሕለት ሴፍ ወቒዖም ከኣ ሓዝዋ። ነታ ኸተማ ድማ ሓዊ መለሱላ። 9ድሕሪኡ ደቂ ይሁዳ ምስቶም ኣብ ከረንን ኣብ ደቡብን ኣብ ቈላን ዝነብሩ ኸነኣናውያን ክዋግኡ ወረዱ። 10ይሁዳ ድማ ናብቶም ኣብ ኬብሮን ዝነብሩ ኸነኣናውያን ከደ፡— ስም ኬብሮን ቀደም ቂርያት-ኣርባ ነበረ — ። ንሽሻይን ንኣሒማንን ንታልማይን ወቕዕዎም። 11ካብኡ ናብቶም ኣብ ደቢር ዝነብሩ ኸደ። — ስም ደቢር ቀደም ቂርያት-ሰፈር ነበረ — ። 12ካሌብ ድማ፡ ነቲ ንቂርያት-ሰፈር ወቒዑ ዝሓዛ፡ ጓለይ ዓክሳ ሰበይቲ ኽትኰኖ ኽህቦ እየ፡ በለ። 13ዖትንኤል፡ ወዲ ቄናዝ ንእሽቶ ሓዉ ንኻሌብ፡ ሓዛ፡ ዓክሳ ጓሉ ሰበይቲ ኽትኰኖ ድማ ሃቦ። 14ኰነ ኸኣ፡ ናብኡ ምስ መጸት፡ ካብ ኣቦኣ ግራት ክልምን መኸረቶ። ካብ ኣድጊ ኸኣ ወረደት፡ ካሌብ ድማ፡ እንታይ ኴንኪ ኢኺ፧ በላ። 15ንሳ ኸኣ፡ በረኸት ሃበኒ፡ ምድሪ ደቡብ ሂብካኒ ኢኻ እሞ፡ ዓይኒ ማያት ከኣ ሃበኒ፡ በለቶ። ካሌብ ድማ፡ ላዕላይ ዓይኒ ማያትን ታሕታይ ዓይኒ ማያትን ሃባ። 16ደቂ ቄኒ ሓሙ ሙሴ ድማ ምስ ደቂ ይሁዳ ኻብ ከተማ ተምሪ ናብታ ብደቡብ ዓራድ ዘላ በረኻ ይሁዳ ደየቡ። ከይዶም ከኣ ምስቲ ህዝቢ ተቐመጡ። 17ይሁዳ ድማ ምስ ስምኦን ሓዉ ኸደ፡ ነቶም ኣብ ጽፋት ዝነበሩ ኸነኣናውያን ወቕዕዎም፡ ፈጺሞም ከኣ ኣጥፍእዋ። ስም እታ ኸተማ ድማ ሖርማ ተባህለ። 18ይሁዳ ኸኣ ንጋዛን ንዶባታን ንኣሽቀሎንን ንዶባታን ንዔርቅሮንን ንዶባታን ድማ ሓዘን። 19እግዚኣብሄር ምስ ይሁዳ ነበረ እሞ፡ ነቶም ኣብ ከረን ዝነበሩ ኣልቀቖም፡ ነቶም ኣብ ለሰ ዝነብሩ ግና፡ ሰረገላታት ሓጺን ነበሮም እሞ፡ ከልቅቖም ኣይከኣለን። 20ንካሌብ ድማ፡ ከምቲ ሙሴ እተዛረቦ፡ ኬብሮን ሃብዎ፡ ንሱ ኸኣ ንሰለስቲኦም ደቂ ዓናቅ ካብኣ ኣልቀቖም። 21ነቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነብሩ ይቡሳውያን ግና፡ ደቂ ብንያም ኣየልቀቕዎምን እሞ፡ እቶም ይቡሳውያን ክሳዕ ሎሚ ምስ ደቂ ብንያም ኣብ የሩሳሌም ኣለዉ። 22ቤት ዮሴፍ፡ ንሳቶምውን ናብ ቤት-ኤል ደየቡ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ምሳታቶም ነበረ። 23ቤት ዮሴፍ ድማ ንቤት-ኤል ሰለይዋ። — ስም እታ ኸተማ ኸኣ ቀደም ሉዝ ነበረ ። 24እቶም ሰለይቲ ድማ ሓደ ሰብኣይ ካብታ ኸተማ ኽወጽእ ርእዮም፡ በጃኻ፡ መእተዊ እዛ ኸተማ ኣርእየና እሞ፡ ምሕረት ክንገብረልካ ኢና፡ በልዎ። 25መእተዊ እታ ኸተማ ኸኣ ኣርኣዮም፡ ነታ ኸተማ ድማ ብስሕለት ሴፍ ወቕዕዋ። ነቲ ሰብኣይን ንብዘለዉ ዓሌቱን ግና ይኺዱ ሓደግዎም። 26እቲ ሰብኣይ ድማ ናብ ምድሪ ሔታውያን ከይዱ ኸተማ ሰርሐ፡ ስማ ኸኣ ሉዝ ሰመያ፡ ክሳዕ ሎሚ ድማ ስማ ንሱ እዩ። 27ምናሴ ድማ ንቤትሸኣንን ንዓድታታን፡ ንተዓናቅን ንዓድታታን፡ ነቶም ኣብ ዶርን ኣብ ዓድታታን ዝነብሩ ኸኣ፡ ነቶም ኣብ ይብልዓምን ኣብ ዓድታታን ዝነብሩ፡ ነቶም ኣብ ምጊዶንን ኣብ ዓድታታን ዝነብሩ ድማ ኣይወረሶምን። እቶም ከነኣናውያን ደኣ ኣብታ ሃገር እቲኣ ኽነብሩ ቘረጹ፡ 28ኰነ ኸኣ፡ እስራኤል ምስ በርትዐ፡ ነቶም ከነኣናውያን ኣገበሮም እምበር፡ ምልቃቕሲ ኣየልቀቖምን። 29ኤፍሬምውን ነቶም ኣብ ጌዝር ዝነብሩ ኸነኣናውያን ኣየልቀቖምን፡ እቶም ከነኣናውያን ከኣ ኣብ ማእከሎም ኣብ ጌዝር ተቐመጡ። 30ዛብሎን ነቶም ኣብ ቂጥሮን ዝነብሩን ነቶም ኣብ ናሃሎል ዝነብሩን ኣየልቀቖምን፡ ስለዚ እቶም ከነኣናውያን ኣብ ማእከሎም ተቐመጡ፡ ገባሩ ድማ ዀኑ። 31ኣሴር ነቶም ኣብ ዓኮ ዝነብሩን ነቶም ኣብ ሲዶንን ኣብ ኣሕላብን ኣብ ኣክዚብን ኣብ ሔልባን ኣብ ኣፌቅን ኣብ ሬሖብን ዝነብሩ ኣየልቀቖምን። 32ስለ ዘየልቀቖም ከኣ፡ ኣሴራውያን ኣብ ማእከል እቶም ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ኸነኣናውያን ተቐመጡ። 33ንፍታሌም ነቶም ኣብ ቤት-ሸመሽ ዝነብሩን ነቶም ኣብ ቤት-ዓናት ዝነብሩን ኣየልቀቖምን፡ ኣብ ማእከል እቶም ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ኸነኣናውያን ደኣ ተቐመጡ። እቶም ኣብ ቤት ሸመሽን ኣብ ቤት ዓናትን ዝነብሩ ግና ገባሮም ኰኑ። 34እቶም ኣሞራውያን ድማ ንደቂ ዳን ናብ ከረን ደፍእዎም እምበር፡ ናብ ለሰ ኽወርዱ ኣይሓደግዎምን። 35ኣሞራውያን ድማ ኣብ ሃር-ሔረስን ኣብ ኣያሎንን ኣብ ሻዓልቢምን ክቕመጡ ቘረጹ። ግናኸ ኢድ ቤት ዮሴፍ ከበደቶም፡ ገባሩ ድማ ዀኑ፡ 36ዶብ ኣሞራውያን ከኣ ካብ ዓቐበት ዓቅራቢም ካብ ሴላዕ ንላዕሊ ነበረ።
መ. መሳፍንቲ ምዕራፍ 2
1መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ካብ ጊልጋል ናብ ቦኪም ደየበ በለ ኸኣ፡ ካብ ግብጺ ኣደየብኩኹም፡ ናብታ ነቦታትኩም ዝመሓልኩሎም ምድሪ ኸኣ ኣእቶኹኹም። እቲ ምሳይኻትኩም ዝኣቶኹዎ ኺዳነይ ንዘለኣለም ኣየፍርሶን እየ። 2ንስኻትኩምውን ምስቶም ኣብዛ ሃገር እዚኣ ዝነብሩ ኪዳን ኣይትእተዉ፡ መሰውኢታቶም ኣፍርሱ፡ ድማ በልኩ። ንቓለይ ግና ኣይሰማዕኩምዎን። ስለምንታይ ኢኹም እዚ ዝገበርኩም፧ 3ስለዚ ድማ፡ ንጐድንኹም ኵርኳሕ ይኹኑኹም፡ ኣማልኽቶምውን መፈንጥራ ይኹኑኹም እምበር፡ ካብ ቅድሜኹም ኣይሰጎምን እየ፡ በልኩ። 4ኰነ ኸኣ፡ እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ንዅሎም ደቂ እስራኤል እዘን ቃላት እዚአን ምስ ተዛረቦም፡ እቶም ህዝቢ ደሃዮም ዓው ኣቢሎም በኸዩ። 5ነታ ቦታ ድማ ቦኪም ኢሎም ሰመይዋ፡ ኣብኣ ኸኣ ንእግዚኣብሄር ሰውኡሉ።
6እያሱ ነቶም ህዝቢ ምስ ኣሰናበቶም ከኣ፡ ደቂ እስራኤል ነታ ምድሪ ኽወርሱ ነፍሲ ወከፍ ነናብርስቶም ከዱ። 7እቶም ህዝቢ ድማ፡ ብዅሉ ዘበን እያሱን ብዅሉ ዘበን እቶም ብድሕሪ እያሱ ነዊሕ ዝጸንሑ እሞ እቲ እግዚኣብሄር ንእስራኤል ዝገበረሎም ዓብዪ ግብሪ ዝርኣዩ ዓበይትን፡ ንእግዚኣብሄር ኣገልገልዎ። 8እያሱ ወዲ ነዌ፡ ባርያ እግዚኣብሄር፡ ከኣ ወዲ ሚእትን ዓሰርተን ዓመት ምስ ኰነ፡ ሞተ። 9ኣብታ ዶብ ርስቱ፡ ኣብ ከረን ገዓሽ፡ ኣብ ቲምናት-ሄረስ ኣብ ከረን ኤፍሬም ቀበርዎ። 10እቲ ወለዶ እቲ ዅሉ ድማ ናብ ኣቦታቶም ተኣከቡ ድሕሪኦም ከኣ ንእግዚኣብሄርን ነቲ ንሱ ንእስራኤል ዝገበሮ ግብሪ ዘይፈልጥ ካልእ ወለዶ ተንስኤ።
11ደቂ እስራኤል ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበሩ፡ ንበዓልውን ኣገልገሉ። 12ነቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘውጾም ኣምላኽ ኣቦታቶም ሓዲጎም፡ ካብ ኣማልኽቲ እቶም ኣብ ዙርያኦም ዝነበሩ ህዝብታት ደድሕሪ ኻልኦት ኣማልኽቲ ኸዱ፡ ንኣታቶምውን ሰገዱሎም እሞ ንእግዚኣብሄር ኣቘጥዕዎ። 13ንእግዚኣብሄር ሓዲጎምስ ንበዓልን ንኣስታርቴታትን ኣገልገሉ፡ 14ሽዑ ዅራ እግዚኣብሄር ኣብ እስራኤል ነደደ፡ ኣብ ኢድ ዝማርኽዎም ማረኽቲ ድማ ኣሕሊፉ ሃቦም፡ ኣብ ኢድ እቶም ኣብ ዙርያ ዘለዉ ጸላእቶም ሸጦም እሞ፡ ደጊም ኣብ ቅድሚ ጸላእቶም ክቘሙ ኣይከኣሉን። 15ከምቲ እግዚኣብሄር እተዛረቦምን ከምቲ እግዚኣብሄር ዝመሓለሎምን፡ ናብ ኵሉ ዝኸድዎ፡ ኢድ እግዚኣብሄር ንሕሰም ኣብኦም ነበረት እሞ፡ ብዙሕ ጸበቦም። 16ሽዑ እግዚኣብሄር ካብ ኢድ እቶም ማረኽቶም ዘድሕንዎም መሳፍንቲ ኣተንስኣሎም። 17ንሳቶም ግና ደድሕሪ ኻልኦት ኣማልኽቲ መንዘሩን ሰገዱሎምን እምበር፡ ነቶም መሳፍንቶምሲ ኣይሰምዕዎምን። ካብታ ኣቦታቶም ንትእዛዛት እግዚኣብሄር ብምእዛዝ ዝኸዱላ መገዲ ቐልጢፎም ኣግለሱ፡ ከማታቶምሲ ኣይገበሩን።
18ብዛዕባ እቶም ወቓዕቶምን ሳቐይቶምን ዘቘዘምዎምን እግዚኣብሄር ተጣዕሰ እሞ፡ እግዚኣብሄር መሳፍንቲ ምስ ኣተንስኣሎም፡ ብዅሉ ዘበን እቲ መስፍን፡ እግዚኣብሄር ምስቲ መስፍን ከይኑ ካብ ኢድ ጸላእቶም የድሕኖም ነበረ። 19እቲ መስፍን ምስ ሞተ ግና፡ ተመሊሶም ደድሕሪ ኻልኦት ኣማልኽቲ ብምሶዓቦምን ንኣታቶም ብምግልጋሎምን ብምስጋዶምን ካብ ኣቦታቶም ዝገደደ ተበላሸዉ። ካብ ግብሮምን ካብ ድርቅና መገዶምን ኣይተረፉን። 20ኵራ እግዚኣብሄር ከኣ ኣብ እስራኤል ነደደ፡ በለ ድማ፡ እዞም ህዝቢ እዚኦም እቲ ነቦታቶም ዝኣዘዝክዎም ኪዳነይ ስለ ዘፍረሱ፡ ደሃየይ ከኣ ስለ ዘይሰምዑ፡ 21-22ኣነ ድማ ንእስራኤል፡ ከምቲ ኣቦታቶም ዝሓለውዎ፡ መገዲ እግዚኣብሄር ንምኻድ ዝሕልዉ እንተ ዀይኖም ወይ ዘይሕልዉ፡ ብኣታቶም ምእንቲ ኽፍትኖም፡ ካብቶም እያሱ ኽመውት ከሎ ዝሓደጎም ህዝብታት ደጊምሲ ሓደ እኳ ኣይክሰጕግን እየ። 23እምበኣርሲ እግዚኣብሄር ነዞም ህዝብታት እዚኦም ቀልጢፉ ኸይሰጐጎም ሓደጎም፡ ኣብ ኢድ እያሱ ኸኣ ኣሕሊፉ ኣይሃቦምን።
መ. መሳፍንቲ ምዕራፍ 3
1ነቶም ኵሉ ውግእ ከነኣን ዘይፈለጡ ዘበሉ እስራኤልሲ እግዚኣብሄር ብኣታቶም ክፍትኖም ኢሉ ዝሓደጎም ህዝብታት እዚኣቶም እዮም፡ 2-3ሓሙሽቲኦም ሹማምቲ ፍልስጥኤማውያንን ኵሎም ከነኣናውያንን ሲዶናውያንን፡ እቶም ኣብ ከረን ሊባኖስ፡ ካብ ከረን በዓል-ሔርሞን ክሳዕ መእተው ሓማት ዝነብሩ ሃዋውያንውን፡ እዚ፡ እቶም ወለዶ ደቂ እስራኤል፡ ምናዳ እቶም ቀደም ውግእ ዘይፈለጡ ዘበሉ፡ ውግእ ተማሂሮም ምእንቲ ኽፈልጡ ጥራይ እዩ። 4እቲ ነቦታቶም ብሙሴ ዝኣዘዞም ትእዛዛት እግዚኣብሄር ዝሰምዑ እንተ ዀይኖም ምእንቲ ኽፈልጥሲ፡ እዚኣቶም ንምፍታን እስራኤል ነበሩ። 5ደቂ እስራኤል ኣብ ማእከል ከነኣናውያንን ሔታውያንን ኣሞራውያንን ፈረዛውያንን ሃዋውያንን ይቡሳውያንን ተቐመጡ። 6ኣዋልዶም ከኣ ኣንስቲ ክዀናኦም ወሰዱ፡ ኣዋልዶም ድማ ነወዳቶም ሃቡ፡ ንኣማልኽቶምውን ኣገልገልዎም። 7ደቂ እስራኤል ከኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ዘበለ ገበሩ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኾም ረሲዖም ድማ፡ ንበዓላትን ንኣስታርቴታትን ኣገልገሉ። 8ስለዚ ዅራ እግዚኣብሄር ኣብ እስራኤል ነደደ እሞ፡ ኣብ ኢድ ዅሻንሪሻታይም ንጉስ ኣራምነሃራዪም ሸጦም። ደቂ እስራኤል ድማ ንዅሻንሪሻታይም ሾሞንተ ዓመት ተገዝእዎ። 9ግናኸ ደቂ እስራኤል ናብ እግዚኣብሄር ተማህለሉ፡ እግዚኣብሄር ድማ ንደቂ እስራኤል ዘድሕኖም መድሓኒ ዖትኒኤል ወዲ ቄናዝ፡ ንእሽቶ ሓዉ ንካሌብ፡ ኣተንስኣሎም። 10መንፈስ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊኡ ነበረ እሞ፡ ንእስራኤል ይፈርድ ነበረ። ክዋጋእ ከኣ ወጸ፡ እግዚኣብሄር ድማ ንኪሻንሪሻታይም ንጉስ ኣራም ኣብ ኢዱ ኣሕሊፉ ሃቦ። ኢዱ ኸኣ ንኩሻንሪሻታይም ሓየለቶ። 11እታ ሃገርውን ኣርብዓ ዓመት ዓረፈት። ዖትኒኤል ወዲ ቄናዝ ከኣ ሞተ። 12ደቂ እስራኤል ድማ መሊሶም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ዘበለ ገበሩ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ስለ ዝገበሩ ኸኣ፡ እግዚኣብሄር ንዔግሎን ንጉስ ሞኣብ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣበርትዖ። 13ንደቂ ኣሞንን ኣማሌቅን ናብኡ ኣኽተቶም ከይዱ ኸኣ ንደቂ እስራኤል ሰዓሮም፡ ንኸተማ ተምሪውን ሓዝዋ። 14ደቂ እስራኤል ድማ ንዔግሎን ንጉስ ሞኣብ ዓሰርተው ሾሞንተ ዓመት ተገዝእዎ። 15ደቂ እስራኤል ግና ናብ እግዚኣብሄር ተማህለሉ፡ እግዚኣብሄር ድማ ኤሁድ ወዲ ጌራ፡ ብንያማዊ፡ ዓኼላይ ሰብኣይ፡ መድሓኒ ኣተንስኣሎም። ደቂ እስራኤል ከኣ ናብ ዔግሎን ንጉስ ሞኣብ ብኢዱ ገጽ በረኸት ሰደዱ። 16ሽዑ ኤሁድ ክልተ ዝኣፉ እመት ዝምንዋሓ ሴፍ ገይሩ ኣብ ትሕቲ ኽዳኑ ኣብ የማናይ ሕቜኡ ዓጠቓ። 17እቲ ገጽ በረኸት ንዔግሎን ንጉስ ሞኣብ ኣቕረበሉ፡ ዔግሎን ድማ ኣዝዩ ኸሪሹ ነበረ። 18ኰነ ኸኣ፡ ነቲ ገጽ በረኸት ኣቕሪቡ ምስ ፈጸመ፡ ነቶም ነቲ ገጽ በረከት ጾይሮም ዝነበሩ ህዝቢ ሰደዶም። 19ንሱ ግና ካብታ ኣብ ጊልጋል ዘላ ስፍራ ምስልታት ተመሊሱ፡ ዎ ንጉስ፡ ሕቡእ ነገር ዝነግረካ ኣሎኒ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ስቕ በል፡ በሎ። እቶም ምስኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ ዅሎም ከኣ ካብኡ ወጹ። 20ኤሁድ ድማ ናብኡ ኣተወ፡ ንሱ ኸኣ ኣብታ ንእኡ ንበይኑ ጥራይ ዝነበረት ላዕለይቲ ቤት ሓጋይ ኮፍ ኢሉ ነበረ። ኤሁድ ድማ፡ ንኣኻ ዝነግረካ ቓል ኣምላኽ ኣሎኒ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ ካብ መንበሩ ተንስኤ። 21ኤሁድ ድማ ጸጋመይቲ ኢዱ ሰዲዱ ነታ ሴፍ ካብ የማነይቲ ሕቜኡ መሲቱ ናብ ከብዱ ሸኸተሉ። 22ድሕሪ እታ ሴፍ ድማ ጋይማ ኣተወ፡ ነታ ሴፍ ካብ ከብዱ ኣየውጽኣን እሞ ስብሒ ኸደና፡ ብድሕሪኡ ኸኣ ወጸት። 23ሽዑ ኤሁድ ናብቲ ደገ ቤት ወጸ፡ ብድሕሪኡ ድማ ነቲ መዓጹ እታ ላዕለይቲ ቤት ዓጽዩ ሸጐሮ። 24ንሱ ምስ ወጸ፡ እቶም ገላዉ መጺኦም ረኣዩ፡ እንሆ ኸኣ፡ መዓጹ እታ ላዕለይቲ ቤት ተሸጒሩ ነበረ እሞ፡ ርግጽ ኣብ ሕልፍኚ ቤት ሓጋይ ኰይኑ ጕዳዩ ይገብር ኣሎ፡ ከኣ በሉ። 25ክሳዕ ዝሽገሩ ተጸበዩ፡ እንሆ፡ ንሱ መዓጹ እታ ላዕለይቲ ቤት ኣይከፈተን እሞ፡ መኽፈቻ ወሲዶም ከፈትዎ፡ እንሆ ድማ፡ ጐይታኦም ሞይቱ ኣብ ምድሪ ወዲቑ ነበረ። 26ኤሁድ ግና በቲ ምድንጓዮም ኣምለጠ፡ ናብ ክንየው ስፍራ ምስልታት ሓሊፉ ናብ ሰዒራ ኣምለጠ። 27ኰነ ኸኣ፡ ምስ ኣተወ፡ ኣብ ከረን ኤፍሬም መለኸት ነፍሐ፡ ደቂ እስራኤል ድማ፡ ንሱ ቐቅድሚኦም ኰይኑ፡ ምስኡ ኻብ ከረን ወረዱ። 28ንሱ ድማ፡ እግዚኣብሄር ንሞኣባውያን፡ ጸላእትኹም፡ ኣብ ኢድኩም ሂቡኩም እዩ እሞ፡ ስዓቡኒ፡ በሎም። ደድሕሪኡ ኸኣ ወረዱ፡ ነቲ ንሞኣብ ዘብል መሳገሪታት ዮርዳኖስ ሓዝዎ፡ ንሓደ ሰብ እኳ ኽሓልፍ ኣይሓደጉን። 29በታ ግዜ እቲኣ ኻብ ሞኣብ ዓሰርተ ሽሕ ዝኣኽሉ ሰብ ቀተሉ፡ ኵሎም ድልዱላት፡ ኩሎምውን ጀጋኑ ሰባት ነበሩ። ሓደ ሰብ እኳ ኣየምለጠን። 30ሞኣብ ከኣ በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ትሕቲ ኢድ እስራኤል ተዋረደ። እታ ሃገር ከኣ ሰማንያ ዓመት ዓረፈት። 31ብድሕሪኡ ድማ ሻምጋር ወዲ ዓናት ነበረ፡ ንሱ ብስላዕ ብዕራይ ገይሩ ሹድሽተ ሚእቲ ፍልስጥኤማውያን ቀተለ፡ ንሱውን ንእራኤል ኣድሓኖም።
መ. መሳፍንቲ ምዕራፍ 4
1ደቂ እስራኤል ከኣ፡ ኤሁድ ምስ ሞተ፡ መሊሶም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበሩ። 2እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ኢድ እቲ ኣብ ሓጾር ነጊሱ ዝነበረ ያቢን ንጉስ ከነኣን ሸጦም። ሓላቓ ሰራዊቱ ሲሰራ ነበረ፡ ንሱ ኸኣ ኣብ ሓሮሼት-ጎይም ይቕመጥ ነበረ። 3ንሱ ድማ ትሽዓተ ሚእቲ ሰረገላ ሓጺን ነበሮ እሞ፡ ንደቂ እስራኤል ብሓይሊ ዕስራ ዓመት ኣጥቅዖም። ሽዑ ደቂ እስራኤል ናብ እግዚኣብሄር ተማህለሉ። 4ዴቦራ ድማ፡ ነብዪት ሰበይቲ ላጲዶት፡ ንሳ በታ ግዜ እቲኣ ንእስራኤል ትፈርድ ነበረት። 5ንሳ ኸኣ ኣብ ከረን ኤፍሬም ኣብ መንጎ ራማን ኣብ መንጎ ቤት-ኤልን፡ ኣብ ትሕቲ ተምሪ ዴቦራ ትቕመጥ ነበረት። ደቂ እስራኤል ድማ ንፍርዲ ናብኣ ደየቡ። 6-7ንባራቅ ወዲ ኣቢኖዓም፡ ካብ ቃዴስ ንፍታሌም ልኢኻ ጸዊዓ ድማ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፡ ኣነ ንሲሰራ ሓለቓ ሰራዊት ያቢን ምስናይ ሰረገላታቱን ሰራዊቱን ናባኻ ኣብ ርባ ቂሶን ስሒበ ኣብ ኢድካ ኽህበካ እየ እሞ፡ ኪድ፡ ካብ ደቂ ንፍታሌምን ካብ ደቂ ዛብሎንን ምሳኻ ዓሰርተ ሽሕ ሰብኣይ ሒዝካ ናብ ከረን ታቦር ተጐዓዝ፡ ኢሉዶ ኣይኣዘዘካን እዩ፧ በለቶ። 8ባራቅ ድማ፡ ምሳይ እንተ ኸድኪ፡ ክኸይድ እየ፡ ምሳይ እንተ ዘይከድኪ ግና ኣይከይድን፡ በላ። 9ንሳ ኸኣ፡ አረ ምኻድስ ምሳኻ እኸይድ፡ ግናኸ እግዚኣብሄር ንሲሰራ ኣብ ኢድ ሰበይቲ ኽሸጦ እዩ እሞ፡ እዛ ንስኻ እትኸዳ ዘሎኻ መገዲ ንኽብርኻ ኣይትኸውንን እያ፡ በለቶ። ዴቦራ ድማ ተንሲኣ፡ ምስ ባራቅ ናብ ቃዴስ ከደት። 10ሽዑ ባራቅ ንዛብሎንን ንንፍታሌምን ናብ ቃዴስ ጸውዖም፡ ዓሰርተ ሽሕ ሰብኣይ ከኣ ደድሕሪኡ ደየቡ፡ ዴቦራውን ምስኡ ደየበት። 11ሔበር ቄናዊ ግና ካብቶም ቄናውያን፡ ደቂ ዮባብ ሓሙ ሙሴ፡ ተፈልዩ ነበረ፡ ድንኳኑ ድማ ክሳዕ እቲ ኣብ ጥቓ ቃዴስ፡ ኣብ ጸዓናይም ዘሎ ድዋ ተኺሉ ነበረ። 12ንሲሰራ ድማ፡ ባራቅ ወዲ ኣቢኖዓም ናብ ከረን ታቦር ከም ዝደየበ፡ ነገርዎ። 13ሽዑ ሲሰራ ንዅሉ ሰረገላታቱ፡ ትሽዓተ ሚእቲ ሰረገላ ሓጺንን ምስኡ ዝነበረ ዅሉ ህዝብን ካብ ሓሮሼት-ጎይም ናብ ርባ ቂሶን ኣኽተተ። 14ዴቦራ ድማ ንባራቅ፡ እታ እግዚኣብሄር ንሲሰራ ኣብ ኢድካ ዝህበላ መዓልቲ ሎሚ እያ እሞ፡ ተንስእ። እግዚኣብሄርዶ ቐቅድሜኻ ወጺኡ ኣየሎን፧ በለቶ። ሽዑ ባራቅ፡ ደድሕሪኡ ኸኣ ዓሰርተ ሽሕ ሰብ፡ ካብ ከረን ታቦር ወረደ። 15እግዚኣብሄር ድማ ንሲሰራን ንዅሉ ሰረገላታቱን ንዅሉ ሰራዊቱን ኣብ ቅድሚ ባራቅ ብስሕለት ሴፍ ኣሸበሮም። ሲሰራ ኸኣ ካብ ሰረገላኡ ወሪዱ ብእግሩ ሃደመ። 16ባራቅ ድማ ደድሕሪ እቲ ሰረገላታትን ደድሕሪ ሰራዊትን ሲሰራ ስዒቡ ክሳዕ ሓሮሼት-ጎይም ሰጎጎም። ብዘሎ ሰራዊት ሲሰራ ኸኣ ብስሕለት ሴፍ ወደቐ፡ ሓደ እኳ ኣይተረፈን። 17ያቢን ንጉስ ሓጾርን ቤት ሔበር ቄናዊን ኣብ መንጎኦም ሰላም ነበረ እሞ፡ ሲሰራ ብእግሩ ናብ ድንኳን ያዔል፡ ሰበይቲ ሔበር ቄናዊ፡ ሃደመ። 18ያዔል ድማ ንሲሰራ ኽትቅበሎ ወጺኣ፡ ጐይታይ፡ እቶ፡ ናባይ እቶ፡ ኣይትፍራህ፡ በለቶ። ናብኣ ድማ ናብ ድንኳን ኣተወ፡ ንሳ ኸኣ ወንጮ ኸደነቶ። 19ንሱ ድማ፡ ጸሚአ እየ እሞ፡ በጃኺ ሒደት ማይ ኣስትይኒ፡ በላ። ንሳ ኸኣ ሓርቢ ጸባ ፈቲሓ ኣስተየቶ ኸደነቶውን። 20ንሱ ድማ፡ ኣብ ደገ ድንኳን ደው በሊ። ክኸውን ድማ እዩ፡ ሰብ መጺኡ፡ ኣብዚዶ ሰብ ኣሎ፧ ኢሉ እንተ ሓተተኪ፡ የልቦን በሊ፡ በላ። 21ንሱ ድቃስ ውሒጥዎ ህልያቱ ጠፍኦ፡ ሽዑ ያዔል ሰበይቲ ሔበር ሽኻል ድንኳን ወሲዳ ሞደሻውን ኣብ ኢዳ ሒዛ፡ ቀስ ኢላ ናብኡ ኣተወት፡ ነቲ ሽኻል ኣብ መትልሑ ተኸለቶ ናብ ምድሪ ድማ ኣተወ፡ ንሱ ኸኣ ሞተ። 22እንሆ ድማ፡ ባራቅ ንሲሰራ ኽሰጎ ኸሎ፡ ያዔል ክትቅበሎ ወጺኣ፡ እቲ ንስኻ እትደልዮ ዘሎኻ ሰብኣይ ከርእየካስ ንዓ፡ በለቶ። ናብኣ ድማ ኣተወ፡ እንሆ ኸኣ፡ ሲሰራ ሞይቱ ወዲቑ ነበረ፡ እቲ ሽኻልውን ኣብ መትልሑ ነበረ። 23በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ፡ ኣምላኽ ንያቢን፡ ንጉስ ከነኣን፡ ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ኣዋረደ። 24ንያቢን ንጉስ ከነኣን ክሳዕ ዘጥፍእዎ ኸኣ፡ ኢድ ደቂ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ያቢን ንጉስ ከነኣን እናረዘነት ከደት።
መ. መሳፍንቲ ምዕራፍ 5
1በታ መዓልቲ እቲኣ ዴቦራን ባራቅ ወዲ ኣቢኖዓምን እዚ መዝሙር እዚ ኸምዚ ኢሎም ዘመሩ፡
2መራሕቲ ኣብ እስራኤል ምርሒት ስለ ዝወሰዱ፡
እቲ ህዝቢ ድማ ርእሱ ብፍቓድ ስለ ዝወፈየ፡
ንእግዚኣብሄር ባርኽዎ።
3ኣቱም ነገስታት፡ ስምዑ፡
ኣቱም ሹማምቲ፡ ጽን በሉ።
ኣነ፡ እወ ኣነ ንእግዚኣብሄር እዝምረሉ፡
ንእግዚኣብሄር፡ ንኣምላኽ እስራኤል እቕነየሉ ኣሎኹ።
4ዎ እግዚኣብሄር፡ ካብ ሰዒር ምስ ወጻእካ፡
ካብ መሮር ኤዶም ድማ ምስ ከድካ፡
ምድሪ ኣንቀጥቀጠት ሰማያትውን ኣንጠብጠቡ፡
ደበናታት ድማ ማይ ኣንጠብጠቡ።
5ኣኽራን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ተነቓነቑ፡
እዚ ሲና ኸኣ
ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ተነቓነቐ።
6ብዘበን ሻምጋር ወዲ ዓናት፡
ብዘበን ያዔል ጐደና መገዲ ሓደጉ፡
ሓለፍቲ መገዲ ድማ ብጥውጥዋይ መገዲ ኸዱ።
7ኣነ ዴቦራ ኽሳዕ ዝትንስእ፡
ኣነ ኣብ እስራኤል ኣደ ዀይነ ኽሳዕ ዝትንስእ፡
ኣብ እስራኤል ሓላቑ ተሳእኑ፡ ተሳእኑ።
8ሓደስቲ ኣማልኽቲ ሓረዩ፡
ሽዑ ውግእ ኣብ ኣፍ ደጌታት ነበረ።
ኣብቶም ኣርብዓ ሽሕ እስራኤልከ
ዋልታ ዀነ፡ኵናት ኰነዶ ተራእየ፧
9ልበይ ምስቶም ኣብ ማእከል ህዝቢ
ፈትዮም ርእሶም ዝወፈዩ፡
ምስቶም መራሕቲ እስራኤል እዩ፡
ንእግዚኣብሄር ባርኹ።
10ኣቱም ጸዓዲት ኣእዱግ እትውጥሑ፡
ኣቱም ኣብ ምንጻፋት እትቕመጡ፡
ኣቱም ሓለፍቲ መገዲውን፡
ብዛዕባኡ ተዛረቡ።
11ካብ ደሃይ ቀስተኛታት ርሒቖም፡
ኣብ መንጎ ጋብላታት፡
ኣብኡ ግብርታት ጽድቂ እግዚኣብሄር፡
እቲ ኣብ እስራኤል እተገብረ ግብርታት ጽድቂ
ሓላቑኡ ድማ ይንገሩ።
ሽዑ ህዝቢ እግዚኣብሄር ናብ ደጌታት ወረደ።
12ተንስኢ፡ ተንስኢ ዴቦራ፡
ተንስኢ፡ ተንስኢ፡ መዝሙር ዘምሪ።
ባራቕውን ተንስእ፡
ኣታ ወዲ ኣቢኖዓም፡ ምሩኻትካ ማርኽ።
13ሽዑ ተረፍ እቶም ክቡራትን እቲ ህዝብን ወረዱ፡
እግዚኣብሄር ናባይ ኣብቶም ጀጋኑ ወረደ።
14ኣብ ኣማሌቅ ዝሱሮም ካብ ኤፍሪም ወረዱ፡
ድሕሬኻ ብንያም ኣብ ማእከል ህዝብታትካ፡
ሓላቑ ኸኣ ካብ ማኪር
ካብ ዛብሎንውን ብበትሪ ገዛኢ ዝምርሑ ወረዱ።
15ሹማምቲ ይሳኮር ምስ ዴቦራ ነበሩ፡
ባራቅውን ከም ይሳኮር ገበረ፡
ብታህዋኽ ናብቲ ለሰ እግረእግሩ ጐየዩ።
ኣብ ጥቓ ርባታት ሮቤል
ዓበይቲ ምኽርታት ልቢ ነበረ።
16ስለምንታይከ ዕንዱር ጓሶት ክትሰምዕ፡
ኣብ ማእከል ደምቤታት ኣባጊዕ ኮፍ በልካ፧
ኣብ ጥቓ ርባታት ሮቤል
ዓበይቲ ምርመራታት ልቢ ነበረ።
17ጊልዓድ ኣብ ክንየው ዮርዳኖስ ሰፊሩ ነበረ፡
ዳንከ ስለምንታይ ኣብ መራኽብ ተቐመጠ፧
ኣሴር ኣብ ገምገም ባሕሪ ይቕመጥ ነበረ፡
ኣብ ወደባቱ ኸኣ ሰፈረ።
18ዛብሎን ነፍሱ ንሞት ዝወፈየ ህዝቢ እዩ፡
ንፍታሌም ድማ ኣብ በረኽቲ መሮር ከምኡ ገበረ።
19ነገስታት መጺኦም ተዋግኡ፡
ሽዑ ኣብ ተዓናክ ኣብ ማያት መጊዶ፡
ነገስታት ከነኣን ተዋግኡ፡
ምርኮ ብሩር ግና ኣይወሰዱን።
20ካብ ሰማይ ተዋግኡ፡
ከዋኽብቲ ኣብ ምኻዶም ምስ ሲሰራ ተዋግኡ።
21ርባ ቂሶን፡ እቲ ናይ ጥንቲ ርባ፡
ርባ ቂሶን ጓቲቱ ወሰዶም።
ዎ ነፍሰይ፡ ብሓይሊ ንቕድሚት ገስግሲ።
22ሽዑ ኻብ ጋልበት፡
ጋልበት እቶም ሓያላቱ፡
ሸዃኑ ፈረስ ደርጓዕጓዕ በለ።
23መልኣኽ እግዚኣብሄር፡ንሜሮዝ ርገምዋ፡ ይብል፡
ንሓገዝ እግዚኣብሄር፡ ንሓገዝ እግዚኣብሄር
ኣብ ልዕሊ እቶም ጀጋኑ ስለ ዘይመጹ፡
ነቶም ኣብኣ ዝነብሩ ኣዚኹም ርገምዎም።
24ያዔል፡ ሰበይቲ ሔበር ቄናዊ፡
ካብ ኣንስቲ ብርኽቲ ትኹን፡
ኣብ ድንኳን ካብ ዘለዋ ኣንስቲ ብርኽቲ ትኹን።
25ንሱ ማይ ለመነ እሞ ጸባ ሃበቶ፡
ብመሳተያ ኽቡራት ገይራ ርግኦ ኣቕረበትሉ።
26ኢዳ ናብ ሸኻል፡
የማነይታ ኸኣ ናብ ሞደሻ ዓየይቲ ዘርግሐት፡
ንሲሰራ ድማ ወቕዓቶ፡ ኣብ ርእሱ ሸኸለትሉ፡
መታልሑ ኣንኵላውን ኣሕለፈቶ።
27ኣብ መንጎ ኣእጋራ ቑልዕጽ ኢሉ ወደቐ፡
በጥ ከኣ በለ፡
እወ፡ ኣብ ምንጎ ኣእጋራ ቑልዕጽ ኢሉ ወደቐ፡
ኣብቲ እተቘልዓጸሉ፡ ኣብኡ ሞይቱ ወደቐ።
28ኣደ ሲሰራ ብመስኰት ጠመተት፡
በቲ ዓይኒርግቢ ኸይና ጨደረት፡
ሰረገላኡ እንታይ ኰይኑ ምምጻእ ደንጐየ፧
መንኰራዅር ሰረላኡኸ እንታይ ኰይኑ ደሓረ፧
29እተን ጥበበኛታት ወይዘራዝራ መለሳላ፡
ንሳ ንርእሳውን መለሰት፡
30ምርኮዶ ኣይረኸቡን፧ ኣይመቐሉንዶኸ፧
ንነፍሲ ወከፍ ሰብኣይ ሓንቲ ጓል፡ ክልተ ጓል፡
ንሲሰራ ምርኮ በበይኑ ዝሕብሩ ኽዳውንቲ፡
ምርኮ በበይኑ ዝሕብሩ ጥሉፍ ክዳውንቲ፡
ምርኮ በበይኑ ዝሕብሩ።
ኣብ ክሳውዲ እቶም ምሩኻትከ በበይኑ ዝሕብሩ
ብኽልተ ወገኑ ጥሉፍ ክዳውንቲዶ ኣይረኸቡን፧
31ዎ እግዚብሄር፡ ኵሎም ጸላእትኻ ኸምኡ ይጥፍኡ፡
እቶም ዝፈትውዎ ግና፡ ከም ጸሓይ ብሓይላ፡
ከምቲ ኽትወጽእ ከላ ይድመቑ።
እታ ሃገር ድማ ኣርብዓ ዓመት ዓረፈት።
መ. መሳፍንቲ ምዕራፍ 6
1ደቂ እስራኤል ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበሩ። እግዚኣብሄር ከኣ ሾብዓተ ዓመት ናብ ኢድ ሚድያን ኣሕሊፉ ሃቦም። 2ኢድ ሚድያን ድማ ኣብ እስራኤል በርትዐት፡ ደቂ እስራኤል ከኣ ብሰሪ ሚድያን እቲ ኣብ ኣኽራን ዘሎ ጐዳጕድን በዓትታትን እምባታትን ገበሩ። 3ኰነ ድማ፡ እስራኤል ምስ ዘርአ፡ ሚድያናውያንን ኣማሌቃውያንን ደቂ ምብራቕን ደየቡ፡ ናብኦም ደየብዎም። 4ኣብኦም ሰፊሮም፡ ክሳዕ እቲ ንጋዛ ዘእቱ ፍረ እታ ምድሪ ኣጥፍኡ፡ ገለ ምግቢ ዀነ፡ በጊዕ ኰነት፡ ብዕራይ ኰነ፡ ኣድጊ ዀነ ኣብ እስራኤል ኣይሓደጉን። 5ንሳቶም ምስ ከምብቶምን ድንኳውንቶምን ደየቡ፡ ምብዛሖም ከም ኣንበጣ ዀይኖም መጹ። ንሳቶምን ኣግማሎምን ቁጽሪ ዘይብሎም ነበሩ እሞ፡ ከጥፍእዋ ናብታ ሃገር ኣተዉ። 6እስራኤል ብሚድያን ብዙሕ ተሸገረ፡ ደቂ እስራኤል ከኣ ናብ እግዚኣብሄር ተማህለሉ። 7ኰነ ኸኣ ደቂ እስራኤል ብሰሪ ሚድያን ናብ እግዚኣብሄር ምስ ተማህለሉ፡ 8እግዚኣብሄር ንደቂ እስራኤል ሓደ ነብዪ ሰደደሎም። ንሱ ድማ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል ኣሎ፡ በሎም፡ ኣነ ኻብ ግብጺ ኣደየብኩኹም፡ ካብ ቤት ባርነት ኣውጻእኩኹም። 9ካብ ኢድ ግብጻውያንን ካብ ኢድ ኵሎም መጥቃዕትኹምን ኣድሓንኩኹም፡ ንኣታቶም ካብ ቅድሜኹም ሰጒጐ ምድሮም ሃብኩኹም። 10ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ፡ ንኣማልኽቲ እቶም ንስኻትኩም ኣብ ሃገሮም ተቐሚጥኩም ዘሎኹም ኣሞራውያን ኣይትፍራህዎም፡ ድማ በልኩኹም። ግናኸ ቃለይ ኣይሰማዕኩምን። 11መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ መጺኡ ኣብ ትሕቲ እታ ናይ ዮኣስ ኣቢዔዝራዊ፡ ኣብ ዖፍራ ዘላ ድዋ ተቐመጠ። ወዱ ጊዴዎን ካብ ሚድያናውያን ክሓብእ፡ ስርናይ ኣብ መጽመቑ ወይኒ ይዘብጥ ነበረ። 12ንእኡ ድማ መልኣኽ እግዚኣብሄር ተራእዮ፡ ኣታ ሓያል ጅግና እግዚኣብሄር ምሳኻ እዩ፡ ከኣ በሎ። 13ጊዴዎን ድማ፡ ኣየ ጐይታይ፡ እግዚኣብሄር ምሳና እንተልዩ ደኣ እዚ ዅሉ ስለምንታይ ረኸበና፧ እቲ ኣቦታትና፡ እግዚኣብሄር ካብ ግብጺ ኣደይቡናዶ ኣይኰነን፡ ኢሎም ዝነገሩና ዅሉ ተኣምራቱኸ ኣበይ ኣሎ፧ ሕጂ ግና እግዚኣብሄር ሓዲጉናስ፡ ኣብ ኢድ ሚድያን እኳ ኣሕሊፉ ሂቡና፡ በሎ። 14ሽዑ እግዚኣብሄር ናብኡ ግልጽ ኢሉ፡ ልኢኸካዶ ኣይኰንኩን፧ በዚ ሓይልኻ እዚ ኼድካ ንእስራኤል ካብ ኢድ ሚድያን ኣድሕኖም፡ በሎ። 15ንሱ ድማ፡ ኣየ ጐይታይ፡ እንሆ ዓሌተይ ካብ ምናሴ እቲ ድኻ እዩ፡ ኣነ ኸኣ ኣብ ቤት ኣቦይ እቲ ንእሽቶ እየ፡ ንእስራኤል ደኣ ብምንታይ ከድሕኖ እየ፧ በሎ። 16እግዚኣብሄር ከኣ፡ ኣነ ምሳኻ ክኸውን እየ እሞ፡ ንሚድያናውያን ከም ንሓደ ሰብኣይ ክትወቕዖም ኢኻ፡ በሎ። 17ንሱ ኸኣ፡ ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ እንተ ደኣ ረኺበስ፡ እትዛረበኒ ዘሎኻ ንስኻ ከም ዝዀንካ ምልክት ሃበኒ፡ 18መስዋእተይ ኣውጺአ፡ ናባኻ መጺአ ኣብ ቅድሜኻ ኽሳዕ ዘቕርበልካስ፡ በጃኻ ካብዚ ኣይትኺድ፡ በሎ። ንሱ ድማ፡ ክሳዕ እትምለስ፡ ክጸንሓካ እየ፡ በሎ። 19ሽዑ ጊዴዎን ኣትዩ ሓደ ማሕስእን ሓደ ኤፋ ሓርጭን ቅጫ ሰንኪቱ ኣዳለወ። ነቲ ስጋ ኣብ ሰፍኢ፡ ነቲ መረቕውን ኣብ ቁራዕ ገበሮ። ኣብ ትሕቲ ድዋ ኣውጺኡ ድማ ናብኡ ኣቕረበሉ። 20እቲ መልኣኽ ኣምላኽ ከኣ፡ ነቲ ስጋን ነቲ ቕጫን ኣብዚ ኸውሒ እዚ ኣንብሮ ነቲ መረቕውን ኣፍስሶ፡ በሎ። ከምኡ ድማ ገበረ። 21ሽዑ እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ጫፍ እታ ኣብ ኢዱ ዝነበረት ዘንጊ ሰዲዱ ነቲ ስጋን ቅጫን ተንከዮ እሞ ሓዊ ኻብቲ ኸውሒ ወጺኡ፡ ነቲ ስጋን ቅጫን በልዖ፡ እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ካብ ኣዒንቱ ተሰወረ። 22ሽዑ ጊዴዎን ንሱ መልኣኽ እግዚኣብሄር ከም ዝዀነ ረኣየ። ጊዴዎን ከኣ፡ ወይለይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ንመልኣኽ እግዚኣብሄር ገጽ ንገጽ ርእየዮ፡ በለ። 23እግዚኣብሄር ድማ፡ ሰላም ንኣኻ ይኹን፡ ኣይትፍራህ ኣይትመውትን ኢኻ፡ በሎ። 24ሽዑ ጊዴዎን ካብኡ ንእግዚኣብሄር መሰውኢ ሰርሐ፡ እግዚኣብሄርሰላም፡ ኢሉ ኸኣ ሰመዮ። ንሱ ድማ ክሳዕ ሎሚ ኣብቲ ናይ ኣቢዔዝራውያን ዖፍራ ኣሎ። 25ኰነ ኸኣ፡ በታ ለይቲ እቲኣ እግዚኣብሄር በሎ፡ ናይ ኣቦኻ ኣርሓ፡ እቲ ኻልኣይ ሾብዓተ ዓመት ዝገበረ ኣርሓ፡ ውሰድ፡ ነቲ ናይ ኣቦኻ መሰውኢ በዓል ኣፍርሶ፡ ነቲ ኣብ ጥቓኡ ኣሎ ኣስታርተ ኸኣ ቁረጾ። 26ኣብ ልዕሊ እዚ ኸውሒ እዚ ድማ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ መሰውኢ ኸም ስርዓቱ ጌርካ ስራሕ፡ ነቲ ኻልኣይ ኣርሓ ኸኣ በቲ እተቘርጾ ኣስታርተ ጌርካ ዝሓርር መስዋእቲ ኣዕርጎ። 27ሽዑ ጊዴዎን ካብ ገላዉኡ ዓሰርተ ሰብ ወሲዱ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ገበረ። ኰነ ኸኣ፡ ብመዓልቲ ኸይገብሮስ ንቤት ኣቦኡን ንሰብ እታ ኸተማን ስለ ዝፈርሄ፡ ብለይቲ ገበሮ። 28ንጽቢሒቱ ሰብ እታ ኸተማ ኣንጊሆም ምስ ተንስኡ፡ እንሆ መሰውኢ በዓል ፈሪሱ፡ እቲ ኣብ ጥቓኡ ዝነበረ ኣስታርተ ኸኣ ተቘረጹ፡ እቲ ኻልኣይ ኣርሓውን ኣብቲ ተሰሪሑ ዝነበረ መሰውኢ ተሰዊኡ ነበረ። 29ንሓድሕዶም ድማ፡ እዚ ነገር እዚ መን ገበሮ፧ ተባሃሃሉ። ሓቲቶምን መርሚሮምን ድማ እዚ ነገር እዚ ጊዴዎን ወዲ ዮኣስ እዩ ዝገበሮ፡ በሉ። 30ሽዑ ሰብ እታ ኸተማ ንዮኣስ፡ ወድኻ መሰውኢ በዓል ኣፍሪሱ፡ ነቲ ኣብ ጥቓኡ ዝነበረ ኣስታርተ ድማ ቈሪጹ እዩ እሞ፡ ክመውት ኣውጽኣዮ፡ በልዎ። 31ዮኣስ ከኣ ነቶም ክቃወምዎ ዝተንስኡ ዅሎም፡ ንበዓልዶ ኽትጣበቑሉ ኢኹም፡ ወይስ ክተድሕንዎዶ ደሊኹም፧ እቲ ኽጣበቐሉ ዝደሊ፡ ምድሪ ኸይወግሐ ይሙት፡ ንሱ ኣምላኽ እንተ ዀይኑስ፡ ነቲ መሰውኢኡ ዘፍረሰሉ ባዕሉ ይማጐቶ፡ በሎም። 32ስለዚ በታ መዓልቲ እቲኣ፡ በዓል ነቲ መሰውኢኡ ዘፍረሰሉ ባዕሉ ይማጐቶ፡ ኢሉ የሩብ-በዓል ሰመዮ። 33ሽዑ ዅሎም ሚድያናውያንን ኣማሌቃውያንን ደቂ ምብራቕን ብሓደ ተኣከቡ፡ ተሳጊሮም ድማ ኣብ ለሰ ይዝርኤል ሰፈሩ። 34ንጊዴዎን ከኣ መንፈስ እግዚኣብሄር ወረዶ። ንሱ መለኸት ነፍሐ፡ ኣቢዔዝራውያን ከኣ ተኣኪቦም ሰዓብዎ። 35ናብ ብዘሎ ምናሴ ድማ ልኡኻት ሰደደ፡ ንሳቶም ከኣ ከቲቶም ሰዓብዎ። ናብ ኣሴርን ዛብሎንን ንፍታሌምን ድማ ልኡኻት ሰደደ፡ ንሳቶምውን ክቕበልዎም ደየቡ። 36ጊዴዎን ድማ ንኣምላኽ፡ ከምቲ እተዛረብካዮ ንእስራኤል ብኢደይ ተድሕኖ እንተ ዄንካስ፡ 37እንሆ፡ ኣነ እዚ ቑሩጽ ጸምሪ እዚ ኣብ ዓውዲ አንብር ኣሎኹ። ኵላ ምድሪ ንቕጽቲ ኸኣ ኣብዚ ጸምሪ ጥራይ ዛዕዛዓ እንተ ዀነ፡ ሽዑ ኸምቲ እተዛረብካዮ፡ ንእስራኤል ብኢደይ ከም እተድሕኖ እፈልጥ፡ በሎ። 38ከምኡ ድማ ዀነ። ንጽብሒቱ ኣንጊሁ ተንሲኡ፡ ነቲ ጸምሪ ጸሞቘ፡ ካብቲ ጸምሪ ኸኣ ሒላብ ምሉእ ማይ ኣውጽአ። 39ጊዴዎን ድማ ንኣምላኽ፡ ሓንሳእ ጥራይ ክዛረብ፡ ቁጥዓኻ ኣባይ ኣይንደድ፡ በቲ ጸምሪ ሓንሳእ ጥራይ ክፍትን በጃኻ። እምበኣርሲ እቲ ጸምሪ ጥራይ ንቑጽ፡ ኣብ ብዘላ ምድሪ ድማ ዛዕዞዓ ይኹን፡ በሎ። 40ኣምላኽ ድማ በታ ለይቲ እቲኣ ኸምኡ ገበረ፡ እቲ ጸምሪ ጥራይ ንቑጽ ከሎ ኣብ ብዘላ ምድሪ ዛዕዝዓ ዀነ።
መ. መሳፍንቲ ምዕራፍ 7
1የሩብ-በዓል፡ ንሱ ጊዴዎን፡ እቲ ምስኡ ዝነበረ ዅሉ ህዝቢ ድማ ንጽብሒቱ ኣንጊሆም ተንስኡ፡ ኣብ ዓይኒ ማይ ሓሮድ ከኣ ሰፈሩ። ሰፈር ሚድያን ድማ ብወገን ሰሜኖም ኣብ ኵርባ ሞሬ፡ ኣብቲ ለሰ ነበረ። 2እግዚኣብሄር ንጊዴዎን፡ ኣነ ንሚድያን ኣብ ኢዶም ከይህቦም፡ እስራኤል፡ ኢደይ ኣድሓነትኒ፡ ኢሉ ኸይዕበየለይ፡ እዚ ምሳኻ ዘሎ ህዝቢ እምብዛ በዚሑ። 3እምበኣር ሕጂ ኣብ እዝኒ እቶም ህዝቢ፡ ፈራህን ተሸባርን ዘበለ ይመለስ፡ ካብ ከረን ጊልዓድ ይኺድ፡ ኢልካ ኣውጅ፡ በሎ። ሽዑ ኻብቶም ህዝቢ ዕስራን ክልተን ሽሕ ተመልሱ፡ ዓሰርተ ሽሕ ከኣ ተረፉ። 4እግዚኣብሄር ድማ ንጊዴዎን፡ እዚ ህዝቢ ገና ብዙሕ እዩ፡ ናብ ማይ ኣውርዶም፡ ኣብኡ ንኣታቶም ክፍትነልካ እየ። ክኸውን ድማ እዩ፡ እቲ ኣነ፡ እዚ ምሳኻ ይኺድ፡ ዝብለካ፡ ንሱ ምሳኻ ይኺድ፡ እቲ፡ ምሳኻ ኣይኺድ፡ ዝብለካ ዘበለ ኸኣ፡ ንሱ ኣይኺድ፡ በሎ። 5ሽዑ ነቲ ህዝቢ ናብ ማይ ኣውረዶ፡ እግዚኣብሄር ድማ ንጊዴዎን፡ ነቲ ኸም ኣሳትያ ኸልቢ ማይ ብልሳኑ ዝሰቲ ዘበለ፡ ንእኡ ንበይኑ፡ ነቲ ብብርኩ ተደቢሩ ዝሰቲውን ከምኡ ግበሮ፡ በሎ። 6ቁጽሪ እቶም ብኢዶም ንኣፎም ማይ ዝሰተዩ ኸኣ ሰለስተ ሚእቲ ሰብ ኰኑ። እቶም ዝተረፉ ዅሎም ህዝቢ ግና ማይ ክሰትዩ፡ ብብርኮም ተምበርኪኾም ደነኑ። 7እግዚኣብሄር ድማ ንጊዴዎን፡ በዞም ብኢዶም ዝሰትዩ ስለስተ ሚእቲ ሰብኣይ ከድሕነኩእየ፡ ሚድያናውያን ከኣ ኣብ ኢድካ ኽህበካ እየ። እቲ ህዝቢ ዅሉ ድማ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ቦታኡ ይኺድ፡ በሎ። 8ሽዑ እቶም ህዝቢ ብኢዶም ስንቆምን መለኸቶምን ወሰዱ፡ ንዅሎም ሰብ እስራኤል ከኣ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ድንኳኖም ሰደዶም፡ ነቶም ሰለስተ ሚእቲ ሰብ ግና ኣትረፎም። ሰፈር ሚድያን ድማ ኣብ ትሕቲኡ ኣብቲ ለሰ ነበረ። 9ኰነ ኸኣ፡ በታ ለይቲ እቲኣ እግዚኣብሄር፡ ንእኡ ኣብ ኢድካ ሂበካ እየ እሞ፡ ተንሲእካ ናብቲ ሰፈር ውረድ። 10ንስኻ ምውራድ እንተ ፈራህካ ግና፡ ንስኻ ምስ ግልያኻ ጱራ ናብቲ ሰፈር ውረድ፡ 11እቲ ዝዛረብዎ ኽትሰም ኢኻ። ድሕሪኡ ናብቲ ሰፈር ንምውራድ ኣእዳውካ ኽጸንዓ እየን፡ በሎ። ሽዑ ንሱ ምስ ጱራ ግልያኡ፡ ናብ ወሰን እቶም ኣብ ሰፈር ተሰሊፎም ዝነበሩ ወረደ። 12ሚድያናውያንን ኣማሌቃውያንን ኵሎም ደቂ ምብራቕ ድማ ከም ኣንበጣ ዝምብዛሖምን ኣብቲ ለሰ ሰፊሮም ነበሩ። ኣግማሎም ከኣ ቁጽሪ ዘይብለን፡ ኣብ ወሰን ባሕሪ ኸም ዘሎ ሑጻ ዝምብዛሐን ነበራ። 13ጊዴዎን ምስ መጸ፡ እንሆ፡ ሓደ ሰብ ንብጻዩ ሕልሙ ይነግሮ ይብሎውን ነበረ፡ እነሆ፡ ሕልሚ ሓለምኩ፡ እንሆ ኸኣ፡ ጐጎ ስገም ናብ ሰፈር ሚድያን ኣንከራረወ፡ ናብ ድንኳን መጺኡ ወቕዖ፡ ንሱ ድማ ወደቐ፡ ንላዕሊ ኣቢሉ ኸኣ ገልበጦ፡ እቲ ድንኳን ድማ ወደቐ። 14እቲ ብጻዩ ድማ መሊሱ፡ እዚ ሴፍ ጊዴዎን ወዲ ዮኣስ፡ ናይ እስራኤል ሰብ እዩ እምበር፡ ካልእ ኣይኰነን፡ ኣምላኽ ንሚድያንን ንዅሉ ሰፈርን ኣብ ኢዱ ኣሕሊፉ ሃቦ፡ በለ። 15ኰነ ኸኣ፡ ጊዴዎን ነገር እዚ ሕልሚ እዝን ምፍታሑን ምስ ሰምዐ፡ ሰገደ። ድሕርዚ ናብ ሰፈር እስራኤል ተመሊሱ፡ እግዚኣብሄር ንሰፈር ሚድያን ኣብ ኢድኩም ሂቡኩም እዩ እሞ፡ ተንስኡ፡ በለ። 16ነዞም ሰለስተ ሚእቲ ሰብ ድማ ኣብ ሰለስተ ጭፍራ መቐሎም፡ ኣብ ኢድ ኵሎም ከኣ መለኸትን ጥራዩ ዳነሱን፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ዳነሱውን ፋናታት ሃቦም። 17በሎም ድማ፡ ንኣይ ርኣዩ፡ ከምኡ ኸኣ ግበሩ። እንሆ ኸኣ፡ ኣነ ናብ ወሰን ሰፈር ምስ በጻሕኩ፡ ክኸውን እዩ፡ ከምቲ ኣነ ዝገብሮ ግበሩ። 18ኣነ ምስቶም ምሳይ ዘለዉ ዅሎም ኰይነ መለኸት ምስ ነፋሕኩ፡ ንስኻትኩምውን ኣብ ዙርያ ዅሉ እቲ ሰፈር ንፍሑ፡ ንእግዚኣብሄርን ንጊዴዎንን ድማ በሉ። 19ኣብ መጀመርታ ሓለዋ ፍርቂ ለይቲ፡ ብኡብኡ ዘብዐኛታት ምስ ተለወጡ፡ ጊዴዎንን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሚእቲ ሰብኣይን፡ ናብቲ ወሰን ሰፈር መጹ። መለኸት ከኣ ነፍሑ፡ ነቲ ኣብ ኣእዳዎም ዝነበረ ዳነሱውን ሰበርዎ። 20ሰለስቲኦም ጭፍራ ድማ መለኸቶም ነፍሑ፡ ነቲ ዳነሱ ኸኣ ሰበርዎ፡ ብጸጋመይቲ ኢዶም ፋናታት ብየማነይቲ ኢዶም ከኣ፡ ክነፍሑ፡ መለኸት ሓዙ፡ ሴፍ እግዚኣብሄርን ጊዴዎንን፡ ኢሎም ድማ ጨደሩ። 21ነፍሲ ወከፍ ኣብ ሰስፍራኡ ኣብ ዙርያ እቲ ሰፈር ቈሙ። ሽዑ ብዘሎ እቲ ሰራዊት ጐየየ፡ ጨርሑን ሃደሙን ከኣ። 22ነቲ ሰለስተ ሚእቲ መለኸት ድማ ነፍሑ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ሴፍ ነፍሲ ወከፍ ናብ ብጻዩን ናብ ብዘሎ እቲ ሰራዊትን ገበሮ። እቲ ሰራዊት ድማ ናብ ጸረራ ኣቢሉ ኽሳዕ ቤት-ሺጣ፡ ክሳዕ እታ ኣብ ገምገም ኣቤልመሖላ ዘላ ጣባት ሃደመ። 23ሰብ እስራኤል ድማ ካብ ንፍታሌምን ካብ ኣሴርን ካብ ኵሉ ምናሴን ተኣከቡ እሞ ንሚድያናውያን ስዒቦም ሰጐጕዎም። 24ጊዴዎን ድማ፡ ንሚድያን ክትቃባበልዎም ውረዱ፡ ነቲ ማያት ክሳዕ ቤት-ባራን ዮርዳኖስን ድማ ሓዙሎም፡ ኢሉ ናብ ብዘሎ ኸረን ኤፍሬም ልኡኻት ሰደደ። ሽዑ ዅሎም ሰብ ኤፍሬም ተኣኪቦም ነቲ ማያት ክሳዕ ቤት-ባራን ዮርዳኖስን ሓዝዎ። 25ንኽልቲኦም ሹማምቲ ሚድያን፡ ዖሬብን ዝኤብን፡ ማረኽዎም እሞ፡ ንዖሬብ ኣብ ከውሒ ዖሬብ ቀተልዎ፡ ንዝኤብውን ኣብ መጽመቑ ወይኒ ዝኤብ ቀተልዎ፡ ንሚድያናውያን ከኣ ሰጐጕዎም። ርእሲ ዖሬብን ዝኤብን ግና ናብ ስግር ዮርዳኖስ ናብ ጊዴዎን ኣምጽእዎ።
መ. መሳፍንቲ ምዕራፍ 8
1ሰብ ኤፍሬም ድማ፡ እቲ ምስ ሚድያን ክትዋጋእ ክትከይድ ከሎኻ ዘይጸዋዕካና፡ እዚ ዝገበርካናስ እንታይ ነገር እዩ፧ በልዎ። ብሓይሊ ኸኣ ተኻራኸርዎ። 2ንሱ ድማ፡ ክንዲ እቲ ናታትኩም እንታይ ገይረ እየ፧ ካብ ምቑራጽ ወይኒ ኣቢዔዘርስ ቀሪም ዘለላ ኤፍሬምዶ ኣይበልጽን፡ 3ኣምላኽ ነቶም ሹማምቲ ሚድያን ዖሬብን ዝኤብን ኣብ ኢድኩም ሂቡኩም እዩ። ክንዲ እቲ ናታትኩም እንታይ ክገብር ከኣልኩ፧ ሽዑ እዚ ዘረባዚ ምስ ተዛረበ፡ ዅራኦም ሃድአ። 4ጊዴዎን ድማ ናብ ዮርዳኖስ መጸ እሞ፡ ንሱን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ስለስተ ሚእቲ ሰብኣይን ተሳገሩ፡ ደኺሞም ከለዉ እኳ ይሰጉ ነበሩ። 5ንሰብ ሱኮት ከኣ፡ ኣነ ደድሕሪ ዜባሕን ጻልሙናን፡ ነገስታት ሚድያን፡ እሰጕግ ኣሎኹ፡ እዞም ዝስዕቡኒ ህዝቢ ድማ ደኺሞም እዮም እሞ፡ በጃኹም እንጌራ ሃብዎም፡ በሎም። 6እቶም ሹማምቲ ሱኮት ግና፡ ንሰራዊትካ እንጌራ ኽንህቦምሲ፡ ኢድ ዜባሕን ጻልሙናን ሕጂዶ ኣብ ኢድካ ኣለዋ፧ በሉ። 7ጊዴዎን ከኣ፡ ግዲ የልቦን፡ እግዚኣብሄር ንዜባሕን ጻልሙናን ኣብ ኢደይ ምስ ሃበኒ፡ ንስጋኹም ብእሾዅ በረኻን ብዳንዴርን ክዘብጠኩም እየ፡ በለ። 8ካብኡ ናብ ፋኑኤል ደይቡ ኸኣ ንኣታቶም ከምኡ ኢሉ ተዛረቦም። እቶም ሰብ ፋኑኤል ድማ ከምቲ ናይ ሰብ ሱኮት ገይሮም መለሱሉ። 9ንሰብ ፋኑኤል ከኣ፡ ብሰላም ምስ ተመለስኩ፡ ነዚ ግምቢ እዚ ኸፍርሶ እየ፡ በሎም። 10ዜባሕን ጻልሙናን፡ ምሳታቶም ከኣ እቶም ካብ ብዘሎ ሰራዊት ሰብ ምብራቕ ዝተረፈ ሰራዊቶም ኣስታት ዓሰርተው ሓሙሽተ ሽሕ ዝኸውን ሰብ ኣብ ቃርቆር ነበሩ፡ እቶም ወዲቖም ዝነበሩ ድማ ሚእትን ዕስራን ሽሕ ሴፍ ዝመልሑ ሰብ ነበሩ። 11ጊዴዎን ድማ ብመገዲ እቶም ኣብ ምብራቕ ኖባን ዮግበሃን ኣብ ድንኳን ዝነብሩ ደዪቡ፡ ነቲ ኣብ ሰፈር ሃዲኡ ዘሎ ሰራዊት ወቕዖ። 12ዜባሕን ጻልሙናን ድማ ሃደሙ፡ ንሱ ግና ስዒቡ ሰጐጎም፡ ንኽልቲኦም ነገስታት ሚድያን፡ ንዜባሕን ጻልሙናን ማረኾም፡ ንብዘሎ ሰራዊትውን ኣሸበሮ። 13ጊዴዎን ወዲ ዮኣስ ካብ ውግእ፡ ካብ ዓቐበት ሔረስ ተመልሰ። 14ካብ ሰብ ሱኮት ሓደ መንእሰይ ሒዙ ሓተቶ፡ ንሱ ኸኣ ናይ ሱኮት ሹማምትን ዓበይትን ሰብዓን ሾብዓተን ሰብ ጸሓፈሉ። 15ናብ ሰብ ሱኮት መጺኡ ድማ፡ ነቶም ድኹማት ሰብካ እንጌራ ኽንህቦምሲ፡ ኢድ ዜባሕን ጻልሙናን ሕጂዶ ኣብ ኢድካ ኣለዋ፧ ኢልኩም ዘባጮኹምለይሲ፡ ዜባሕን ጻልሙናን እነዉ፡ በሎም። 16ነቶም ዓበይቲ እታ ኸተማ ሒዙ፡ እሾኹ በረኻን ዳንዴርን ድማ ወሲዱ፡ ንሰብ ሱኮት ብእኡ ቐጽዖም። 17ንግምቢ ፋኑኤልውን ኣፍረሶ፡ ንሰብ እታ ኸተማ ኸኣ ቀተሎም። 18ንዜባሕን ንጻልሙናን ድማ፡ እቶም ኣብ ታቦር ዝቐተልኩምዎ ሰባት ከመይ ዝበሉ ነበሩ፧ በሎም። ንሳቶም ከኣ፡ ከማኻ ዝበሉ እዮም፡ ነፍሲ ወከፍ ውቃቤኦም ደቂ ንጉስ ይመስሉ፡ ኢሎም መለሱሉ። 19ንሱ ኸኣ፡ ኣሕዋተይ፡ ደቂ እኖይ እምበር እዮም፡ ህያው እግዚኣብሄር እዩ፡ ብህይወት እንተ ትሓድግዎምሲ ኣይምቐተልኩኹምን፡ በለ። 20ንየተር በዅሪ ወዱ፡ ተንሲእካ ቕተሎም፡ በሎ። እቲ ወዱ ግና፡ ንእሽቶ ነበረ እሞ፡ ፈሪሁ ሴፉ ኣይመሰተን። 21ሽዑ ዜባሕን ጻልሙናን፡ ሰብ ከምቲ ዘለዎ ሓይሉ ድማ ከምኡ እዩ እሞ፡ ንስኻ ግዳ ተንሲእካ ውደቐና፡ በሉ። ጊዴዎን ከኣ ተንሲኡ ንዜባሕን ንጻልሙናን ቀተሎም፡ እቲ ኣብ ክሳድ ኣግማሎም ዝነበረ ዳቋታት ከኣ ወሰደ። 22ሽዑ ሰብ እስራኤል ንጊዴዎን፡ ካብ ኢድ ሚድያን ኣድሒንካና ኢኻ እሞ፡ ንስኻን ወድኻን ወዲ ወድኻን ግዝኡና፡ በልዎ። 23ጊዴዎን ከኣ፡ ኣነስ ኣይገዝኣኩምን፡ ወደይውን ኣይገዝኣኩምን፡ እግዚኣብሄር ደኣ ይግዛእኩም፡ በሎም። 24ጊዴዎን ድማ፡ ካባኻትኩም ግዳ ሓደ ልማኖ እልምን ኣሎኹ፡ ነፍሲ ወከፍ እቲ ዝማረኾ ቐላብቲ ሃቡኒ፡ በሎም። — ንሳቶም እስማኤላውያን ነበሩ እሞ፡ ስለዚ ቐላብቲ ወርቂ ነበሮም — ። 25ንሳቶም ከኣ፡ ተሓጒስና ንህበካ፡ በሉ። ክዳን ድማ ዘርግሑ፡ ነፍሲ ወከፍ ከኣ እቲ ዝማረኾ ቐላብቲ ናብኡ ደርበየ። 26ብጀካ እቲ ኣብ ነገስታት ሚድያን ዝነበረ ድሪን ኵትሻን ግምጃ ኽዳውንትን፡ ብጀካ እቲ ኣብ ክሳውዲ ኣግማሎም ዝነበረ ደቋታት፡ እቲ ዝመለኖ ቐላብቲ ወርቂ ሚዛኑ ሽሕን ሾብዓተ ሚእትን ሲቃል ወርቂ ዀነ። 27ጊዴዎን ድማ ንእኡ ኤፉድ ገይሩ፡ ኣብ ከተማኡ ኣብ ዖፍራ ኣንበሮ። ብዘለዉ እስራኤል ከኣ ደድሕሪኡ ኣብኡ ዘመወ። እዚ ኸኣ ንጊዴዎንን ንቤቱን መፈንጠራ ዀነ። 28ሚድያን ከኣ ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ተዋረዱ፡ መሊሶም ከኣ ርእሶም ኣየልዓሉን። እታ ሃገር ድማ ብዘበን ጊዴዎን ኣርብዓ ዓመት ዓረፈት። 29የሩብ-በዓል ወዲ ዮኣስ ከኣ ከይዱ ኣብ ቤቱ ተቐመጠ። 30ጊዴዎን ድማ፡ ብዙሓት ኣንስቲ ነበራኦ እሞ፡ ካብ ሕቜኡ ዝወጹ ሰብዓ ኣወዳት ነበርዎ። 31እታ ኣብ ሴኬም ዝነበረት ሰበይቲ ወሰኑ፡ ንሳ ድማ ወዲ ወለደትሉ፡ ስሙ ኸኣ ኣቢሜሌክ ኣውጽኣሉ። 32ጊዴዎን ወዲ ዮኣስ ብጽቡቕ እርግና ሞተ፡ ኣብታ ናይ ኣቢዔዝራውያን ዖፍራ ኣብ መቓብር ኣቦኡ ዮኣስ ከኣ ተቐብረ። 33ኰነ ድማ፡ ጊዴዎን ምስ ሞተ፡ ደቂ እስራኤል ተመሊሶም ደድሕሪ በዓሊም ዘመዉ፡ ንበዓል-በሪት ኣምላኾም ገበርዎ። 34ደቂ እስራኤል ነቲ ኻብ ኢድ እቶም ኣብ ዙርያኦም ዝነብሩ ዅሎም ጸላእቶም ዘድሓኖም እግዚኣብሄር ኣምላኾም ኣይዘከርዎን። 35ንቤት የሩብ-በዓል፡ ማለት ጊዴዎን፡ ከምቲ ንሱ ንእስራኤል ዝገበረሎም ኵሉ ጽቡቕ ነገርሲ፡ ገለ ሞያ እኳ ኣይገበሩሉን።
መ. መሳፍንቲ ምዕራፍ 9
1ኣቢሜሌክ ወዲ የሩብ-በዓል ድማ ናብ ሴኬም ናብ ኣኮታቱ ኸደ እሞ፡ ንኣታቶምን ንዅሎም ዓሌት ቤት ኣቦ ኣዲኡን ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም፡ 2በጃኹም ንዅሎም ሰብ ሴኬም ኣብ ኣእዛኖም፡ ሰብዓ ሰብ፡ ኵሎም ደቂ የሩብ-በዓል ክገዝኡኹምዶ ወይስ ሓደ ሰብኣይ ክገዝኣኩም፡ ኣየናይ ይሕሸኩም፧ ኣነ ኸኣ ዓጽምኹምን ስጋኹምን ከም ዝዀንኩ ዘክሩ፡ በልዎም። 3እቶም ኣኮታቱ ኸኣ እዚ ነገርዚ ዅሉ ንዅሎም ሰብ ሴኬም ኣብ ኣእዛኖም ተዛረቡሉ። ንሱ ሓውና እዩ ኢሎም ድማ፡ ልቦም ናብ ኣቢሜሌክ ዘንበለ። 4ካብ ቤት በዓል-በሪት ድማ ሰብዓ ሲቃል ብሩር ሃብዎ፡ ብእኡ ገይሩ ኸኣ ደድሕሪኡ ዝስዕቡ ከንቱነታት ቀለልቲ ሰባት ተዋዓዓለ። 5ናብ ቤት ኣቦኡ ኣብ ዖፍራ መጺኡ ነሕዋቱ፡ እቶም ደቂ የሩብ-በዓል፡ ሰብዓ ሰብ ኣብ ልዕሊ ሓደ እምኒ ቐተሎም። ዮታም እቲ ንእሽቶ ወዲ የሩብ-በዓል ግና፡ ተሓቢኡ ነበረ እሞ፡ ተረፈ። 6ዅሎም ሰብ ሴኬምን ብዘላ ቤት ሚሎን ተኣከቡ፡ ከይዶም ከኣ ንኣቢሜሌክ ኣብ ጥቓ እቲ ኣብ ሴኬም ዘሎ ድዋ ሓወልቲ ኣንገስዎ። 7ንዮታም እዚ ምስ ነገርዎ፡ ናብ ርእሲ ኸረን ጌሪዚም ከይዱ ኣብኡ ደው በለ፡ ቃሉ ዓው ኣቢሉ ጨደረ እሞ በሎም፡ ኣቱም ሰብ ሴኬም፡ ኣምላኽ ክሰምዓኩምሲ ስምዑኒ። 8ኣእዋም ኣብ ልዕሊኦም ንጉስ ክቐብኡ ኸዱ እሞ፡ ነውልዕ፡ ኣብ ልዕሌና ንገስ፡ በልዎ። 9እቲ ኣውልዕ ግና፡ ከይደ ኣብ ልዕሊ ኣእዋም ሰሰው ክብል ኢለስ፡ ነቲ ኣምላኽን ሰባትን ኣባይ ዘኽብርዎ ዘይተይዶ ኽገድፍ እየ፧ በሎም። 10ሽዑ እቶም ኣእዋም ንበለስ፡ ንስኻ ንዓ እሞ፡ ኣብ ልዕሌና ንገስ፡ በልዎ። 11እቲ በለስ ግና፡ ከይደ ኣብ ልዕሊ ኣእዋም ሰሰው ክብል ኢለስ፡ ነቲ ጣዕመይን ጽቡቕ ፍረይንዶ ኽገድፍ እየ፧ በሎም። 12እቶም ኣእዋም ንወይኒ ድማ፡ ንስኻ ንዓ እሞ ኣብ ልዕሌና ንገስ፡ በልዎ። 13እቲ ወይኒ ኸኣ፡ ከይደ ኣብ ልዕሊ ኣእዋም ሰሰው ክብል ኢለስ፡ ነቲ ንኣምላኽን ንሰባትን ዘሐጕስ ወይነይዶ ኽገድፍ እየ፧ በሎም። 14ሽዑ ዅሎም ኣእዋም ንእሾዅ፡ ንስኻ ንዓ እሞ ኣብ ልዕሌና ንገስ፡ በልዎ። 15እቲ እሾዅ ድማ፡ ብሓቂ ንኣይ ቀቢእኩም ኣብ ልዕሌኹም ክተንግሱኒ እንተ ደሌኹምሲ፡ ኣብ ጽላለይ ኣጽልሉ፡ እንተ ዘይኰነስ ድማ፡ ካብቲ እሾዅ ሓዊ ይውጻእ እሞ ነቲ ጽሕድታት ሊባኖስ ይብልዓዮ፡ በሎም። 16ሕጂ ኸኣ ንኣቢሜሌክ ብምንጋስኩምሲ ብሓቅን ብቕንዕናን እንተ ጌርኩምዎ፡ ንየሩብ-ብዓልን ንቤቱን ድማ ጽቡቕ እንተ ጌርኩም፡ ከም ግብሪ ኢዱ ከኣ እንተ ጌርኩምሉ፡ 17ኣቦይሲ ምእንታኹም ተዋግአ፡ ነፍሱ ኣሕሊፉ ሂቡ ድማ ካብ ኢድ ሚድያን ኣድሓነኩም። 18ንስኻትኩም ግና ሎሚ ናብ ቤት ኣቦይ ተንሲእኩም ንደቁ፡ ሰብዓ ሰብ፡ ኣብ ልዕሊ ሓደ እምኒ ቐቲልኩምሲ ንኣቢሜሌክ ወዲ እታ ግዝእቱ፡ ሓውኹም ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ልዕሊ ሰብ ሴኬም ኣንገስኩምዎ። 19እምበኣርሲ በዛ መዓልቲ እዚኣ ንየሩብ-በዓልን ንቤቱን ብሓቅን ብቕንዕናን ጌርኩም እንተ ዄንኩም፡ ብኣቢሜሌክ ተሓጐሱ፡ ንሱውን ብኣኻትኩም ይተሓጐስ። 20እንተ ዘይኰነስ፡ ካብ ኣቢሜሌክ ሓዊ ይውጻእ እሞ ንሰብ ሴኬምን ንቤት ሚሎን ይብላዕ፡ ካብ ሰብ ሴኬምን ካብ ቤት ሚሎን ከኣ ሓዊ ይውጻእ እሞ ንኣቢሜሌክ ይብልዓዮ። 21ዮታም ድማ ካብ ቅድሚ ሓዉ ኣቢሜሌክ ጐይዩ ሃዲሙ ናብ ብኤር ከደ፡ ኣብኣ ኸኣ ተቐመጠ። 22ኣቢሜሌክ ድማ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ሰለስተ ዓመት ገዝአ። 23ኣምላኽ ከኣ ኣብ መንጎ ኣቢሜሌክን ሰብ ሴኬምን ሕሱም መንፈስ ሰደደ እሞ፡ ንኣቢሜሌክ ዓለውዎ። 24እዚ እቲ ኣብቶም ሰብዓ ደቂ የሩብ-በዓል እተገብረ ግፍዒ ምእንቲ ኽፍደ፡ ደሞም ከኣ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝቐተሎም ሓዎም ኣቢሜሌክን ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ምቕታል ኣሕዋቱ ኢዱ ዘጽንዑሉ ሰብ ሴኬምን ምእንቲ ክኸውን እዩ። 25እቶም ሰብ ሴኬም ድማ ኣብ ርእሲ ኣኽራን ድብቕ ኣንበሩሉ፡ ንሳቶም ከኣ ንዅሎም ብእኡ ዝሓልፉ ሰብ መገዲ ይኸትሩ ነበሩ። እዚ ድማ ንኣቢሜሌክ ነገርዎ። 26ጋዓል ወዲ ዔበድን ኣሕዋቱን ድማ መጺኦም ናብ ሴኬም ኣተዉ፡ ሰብ ሴኬም ከኣ ብእኡ ተኣመኑ። 27ናብ ግርሁ ድማ ወፈሩ፡ ወይኖም ቈሪጾም ከኣ ጾመቑ፡ ናይ ሓጐስ በዓልውን ገበሩ፡ ናብ ቤት ኣምላኾም ኣትዮም ድማ በልዑን ሰተዩን፡ ንኣቢሜሌክውን ረገምዎ። 28ጋዓል ወዲ ዔበድ ድማ በለ፡ ንሕና እንግዝኦስ ኣቢሜሌክ መን እዩ፧ ሴኬምከ መን እዩ፧ ዜቡል ዝምስሌነኡ ወዲ የሩብ-በዓል ደይኰነን፧ ንስኻትኩምሲ ንሰብ ሓሞር ኣቦ ሴኬም ደኣ ተገዝኡ፡ ንሕና ንእኡ እንታይ ኢልና ንግዝኦ፧ 29እዚ ህዝቢ እዚ ኣብ ትሕቲ ኢደይ እንተ ዝኸውን መን ምሃበ፡ ንኣቢሜሌክ ምሰጐጕክዎ ነይረ። ንኣቢሜሌክ ከኣ፡ ሰራዊትካ ኣብዝሕ እሞ ውጻእ፡ በሎ። 30ዜቡል፡ ሹም እታ ኸተማ፡ ዘረባ ጋዓል ወዲ ዔበድ ምስ ሰምዐ፡ ኵራኡ ነደደ። 31ናብ ኣቢሜሌክ ከኣ ብተንኰል ከምዚ ኢሉ ልኡኻት ሰደደ፡ ጋዓል ወዲ ዔበድን ኣሕዋቱን እንሆ፡ ናብ ሴኬም ኣትዮም፡ ነዛ ኸተማ ናባኻ የተንስኡልካ ኣለዉ። 32ሕጂ ኸኣ፡ ንስኻን እቲ ምሳኻ ዘሎ ህዝብን ብለይቲ ተንሲእካ፡ ኣብ መሮር ተደበቕ። 33ክኸውን ድማ እዩ፡ ጽባሕ ጸሓይ ክትበርቕ ከላ ኣንጊህካ ተንስእ እሞ፡ ነዛ ኸተማ ሓደጋ ውደቃ። እንሆ ኸኣ፡ ንሱን ምስኡ ዘሎ ህዝብን ምስ ወጹኻ፡ ሽዑ ኢድካ ኸም ዝረኸበቶ ግበሮም። 34ኣቢሜሌክን እቲ ምስኡ ዝነበረ ዅሉ ህዝብን ብለይቲ ተንሲኦም ኣርባዕተ ኽፍሊ ዀይኖም ኣብ ሴኬም ተደበቑ። 35ጋዓል ወዲ ዔበድ ድማ ወጺኡ፡ ኣብ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ ደው በለ፡ ኣቢሜሌክ ከኣ ምስቲ ምስኡ ዝነበረ ህዝቢ ኻብቲ ምድባቑ ተንስአ። 36ጋዓል ድማ ነቲ ህዝቢ ምስ ረኣየ፡ ንዜቡል፡ እንሆ፡ ህዝቢ ኻብ ርእሲ ኣኽራን ይወርድ ኣሎ፡ በሎ። ዜቡል ከኣ፡ ንኣኻ ሰብ መሲሉ ዝርኣየካ ዘሎ ጽላሎት ኣኽራን እዩ፡ በሎ። 37ጋዓል ድማ መሊሱ፡ እንሆ፡ ካብ ማእከል እታ ሃገር ህዝቢ ይወርድ ኣሎ፡ ሓደ ጭፍራ ኸኣ ብመገዲ ድዋ ጠንቈልቲ ኣቢሉ ይመጽእ ኣሎ፡ ኢሉ ተዛረበ። 38ሽዑ ዜቡል፡ እቲ ንሕና እንግዝኦስ ኣቢሜሌክ መን እዩ፧ ዝበልካዮ፡ ሕጂ ደኣ ኣፍካ ኣበይ ኣሎ፧ እዚ እቲ ዝነዓቕካዮ ህዝብዶ ኣይኰነን፧ እምበኣር ሕጂ ወጺእካ ተዋግኣዮ፡ በሎ። 39ጋዓል ድማ ንሰብ ሴኬም መሪሕዎም ወጸ እሞ ምስ ኣቢሜሌክ ተዋግአ። 40ኣቢሜሌክ ግና ሰጐጎ እሞ ካብ ቅድሚኡ ሃደመ፡ ክሳዕ ደገ እታ ኸተማ ኸኣ ብዙሓት ተወጊኦም ወደቑ። 41ኣቢሜሌክ ድማ ኣብ ኣሩማ ተቐመጠ፡ ዜቡል ከኣ ንጋዓልን ነሕዋቱን ኣብ ሴኬም ከይቕመጡ ሰጐጎም። 42ኰነ ኸኣ፡ ንጽብሒቱ እቲ ህዝቢ ናብ ግርሁ ወጸ፡ እዚ ድማ ንኣቢሜሌክ ነገርዎ። 43ነቲ ህዝቢ ወሲዱ ኸኣ ኣብ ሰለስተ ጭፍራ መቐሎ፡ ኣብ መሮር ከኣ ድብቕ ኣንበረ። እንሆ ድማ፡ እቲ ህዝቢ ኻብ ከተማ ኽወጽእ ምስ ረኣየ፡ ተንስኦም ቀተሎም ድማ። 44ኣቢሜሌክን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ጭፍራታትን ጐይዮም ኣብ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ ደው በሉ። እቶም ክልተ ጭፍራ ኸኣ ጐይዮም ነቶም ኣብ ግርሁ ዝነበሩ ዅሎም ወድእዎም። 45ኣቢሜሌክ ከኣ በታ መዓልቲ እቲኣ ብመልኣ ነታ ኸተማ ተዋግኣ፡ ነታ ኸተማ ሒዙ ድማ ኣብኣ ንዝነበረ ህዝቢ ቐተለ። ነታ ኸተማ ኣፍሪሱ ኸኣ ጨው ዘርኣላ። 46እቶም ኣብ ግምቢ ሴኬም ዝነበሩ ዅሎም እዚ ምስ ሰምዑ፡ ናብ ዕርዲ ቤት ኤል-በሪት ኣተዉ። 47ኵሎም ሰብ ግምቢ ሴኬም ከም እተኣከቡ፡ ንኣቢሜሌክ ነገርዎ። 48ሽዑ ኣቢሜሌክን እቲ ምስኡ ዝነበረ ዅሉ ህዝብን ናብ ከረን ጻልሞን ደየበ። ኣቢሜሌክ ድማ ማሕጸ ኣብ ኢዱ ወሲዱ ሓደ ጨንፈር ኦም ቈረጸ፡ ኣልዒሉ ኸኣ ኣብ መንኵቡ ገበሮ፡ ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ህዝቢ፡ ከምዚ ኣነ ኽገብሮ ዝርኤኹምኒ ቐልጢፍኩም ከምኡ ግበሩ፡ በሎም። 49ኵሉ እቲ ህዝቢ ኸኣ ነፍሲ ወከፍ ከምኡ ጨጨንፈሩ ቘረጸ፡ ንኣቢሜሌክ ስዒቦም ድማ ናብቲ ዕርዲ ኣንበርዎ፡ ነቲ ዕርዱ ከኣ ኣብ ልዕሊኦም ኣንደድዎ። ኵሎም ኣብ ግምቢ ሴኬም ዝነበሩ ሰባት ድማ፡ ኣስታት ሽሕ ሰብኣይን ሰበይትን ሞቱ። 50ኣቢሜሌክ ድማ ናብ ቴቤጽ ከደ እሞ ንቴቤጽ ሰፈራ ሓዛ ኸኣ። 51ኣብ ማእከል እታ ኸተማ ድማ ጽኑዕ ግምቢ ነበረ፡ ኵሎም ሰብኡትን ኣንስትን፡ ኵሎም ሰብ እታ ኸተማ ናብኡ ሃደሙ፡ ኣብ ውሽጡውን ተዓጽዉ፡ ናብ ናሕሲ እቲ ግምቢ ኸኣ ደየቡ። 52ኣቢሜሌክ ድማ ናብቲ ግምቢ መጺኡ ተዋግኦ፡ ብሓዊ ኸንድዶ ኸኣ፡ ናብ ደገ እቲ ግምቢ ቐረበ። 53ሓንቲ ሰበይቲ ድማ ኣብ ልዕሊ ርእሲ ኣቢሜሌክ መዲድ ሰንዲዳ፡ ቀረቀራኡ ጨፍለቐቶ። 54ሽዑ ነቲ ጐበዝ ጋሻ ዛግሬኡ ቐልጢፉ ጸዊዑ፡ ሰበይቲ ቐቲላቶ ኸይብሉንስ፡ ሴፍካ መሲትካ ቕተለኒ፡ በሎ። እቲ ጐበዝውን ወግኦ፡ ሞተ ኸኣ። 55እቶም ሰብ እስራኤል ኣቢሜሌክ ከም ዝሞተ ምስ ረኣዩ፡ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ስፍራኡ ኸደ። 56ኣቢሜሌክ ነቶም ሰብዓ ኣሕዋቱ ብምቕታሉ እቲ ነቦኡ ኽፉእ ዝገበሮ፡ ኣምላኽ ከምኡ ናብኡ መለሰሉ። 57ኵሉ እቲ ኽፍኣት ሰብ ሴኬም ድማ፡ ኣምላኽ ናብ ርእሶም መለሰሎም። እቲ መርገም ዮታም ወዲ የሩብ-በዓል ከኣ ኣብ ረርእሶም በጽሐ።
መ. መሳፍንቲ ምዕራፍ 10
1ድሕሪ ኣቢሜሌክ ከኣ ቶላ ወዲ ጱኣ፡ ወዲ ዶዶ ካብ ሰብ ይሳኮር፡ ንምድሓን እስራኤል ተንስአ። ንሱ ድማ ኣብ ከረን ኤፍሬም ኣብ ሻሚር ይቕመጥ ነበረ። 2ንእስራኤል ከኣ ዕስራን ሰለስተን ዓመት ፈረደ፡ ሞተ ድማ፡ ኣብ ሻሚር ከኣ ተቐብረ። 3ድሕሪኡ ድማ ያኢር ጊልዓዳዊ ተንስአ፡ ንእስራኤል ከኣ ዕስራን ክልተን ዓመት ፈረደ። 4ንሱ ሰላሳ ገልገል ኣድጊ ዝውጥሑ ዝነበሩ፡ ሰላሳ ደቂ ነበርዎ፡ ኣብ ምድሪ ጊልዓድ ዘለዋ ሰላሳ ኸተማ ኸኣ ነበራኦም፡ ንሳተን ክሳዕ ሎሚ ዓድታት ያኢር ይብሃላ ኣለዋ። 5ያኢር ድማ ሞተ፡ ኣብ ቃሞን ከኣ ተቐብረ። 6ደቂ እስራኤል ድማ መሊሶም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበሩ፡ ንበዓላትን ንኣስታርቴታትን ንኣማልኽቲ ኣራምን ንኣማልኽቲ ሲዶንን ንኣማልኽቲ ሞኣብን ንኣማልኽቲ ደቂ ዓሞንን ንኣማልኽቲ ፍልስጥኤማውያንን ኣገልገሉ፡ ንእግዚኣብሄር ግና ሓደግዎ እምበር፡ ኣየገልገልዎን። 7ሽዑ ዅራ እግዚኣብሄር ኣብ እስራኤል ነደደ፡ ኣብ ኢድ ፍልስጥኤማውያንን ኣብ ኢድ ደቂ ዓሞንን ከኣ ሸጦም። 8ንሳቶም ከኣ በታ ዓመት እቲኣ ንደቂ እስራኤል ሳቐይዎምን ኣጥቅዕዎምን። ነቶም ኣብ ስግር ዮርዳኖስ፡ ኣብታ ኣብ ጊልዓድ ዘላ ምድሪ ኣሞራውያን ዝነብሩ ዅሎም ደቂ እስራኤል ድማ ዓሰርተው ሾሞንተ ዓመት ኣጥቅዕዎም። 9እቶም ደቂ ዓሞን ድማ ምስ ይሁዳን ምስ ብንያምን ምስ ቤት ኤፍሬምን ክዋግኡ ዮርዳኖስ ተሳገሩ እሞ፡ እስራኤል ኣዝዩ ጸበቦ። 10ሽዑ ደቂ እስራኤል፡ ንኣምላኽና ሓዲግና ንበዓላት ኣገልጊልና ኢና እሞ፡ በዲልናካ ኢና፡ ኢሎም ናብ እግዚኣብሄር ተማህለሉ። 11እግዚኣብሄር ድማ ንደቂ እስራኤል በሎም፡ ካብ ግብጻውያንን ካብ ኣሞራውያንን ካብ ደቂ ዓሞንን ካብ ፍልስጥኤማውያንንዶ ኣየድሓንኩኹምን፧ 12እቶም ሲዶናውያንን ኣማሌቃውያንን ማኦናውያንን ምስ ጠቕዑኹም፡ ከኣ ናባይ ተማህለልኩም እሞ ካብ ኣእዳዎም ኣድሓንኩኹም። 13ንስኻትኩም ግና ንኣይ ሓዲግኩም ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኣገልገልኩም፡ ስለዚ ድሕሪ ደጊም ኣየድሕነኩምን እየ። 14ብግዜ ጸበባኹም ከድሕኑኹምሲ ናብቶም ዝሓሬኹምዎም ኣማልኽቲ ደኣ ኼድኩም ተማህለሉ። 15ደቂ እስራኤል ድማ ንእግዚኣብሄር፡ በዲልና ኢና፡ ሓንትስ በዛ መዓልቲ እዚኣ ደኣ ኸተድሕነና ንልምነካ ኣሎና እምበር፡ ከምቲ ዝሓይሽ ኰይኑ እተራእየካ ዅሉ ግበረና፡ በልዎ። 16ሽዑ ነቶም ጓኖት ኣማልኽቲ ካብ ማእከሎም ደርብዮም ንእግዚኣብሄር ኣገልገልዎ። ነፍሱ ኸኣ ብመከራ እስራኤል ተጨነቐት። 17ደቂ ዓሞን ድማ ብኣውያት ተኣኪቦም ኣብ ጊልዓድ ሰፈሩ፡ ደቂ እስራኤልውን ተኣኪቦም ኣብ ሚጽጳ ሰፈሩ። 18እቶም ህዝቢ ድማ፡ እቶም ሹማምቲ ጊልዓድ ነንሓድሕዶም፡ ምስ ደቂ ዓሞን ክዋጋእ ዝጅምር ኣየናይ ሰብኣይ እዩ፧ ንሱ ነቶም ኣብ ጊልዓድ ዝነብሩ ዅሎም ሓለቓ ይኹን፡ ተበሃሃሉ።
መ. መሳፍንቲ ምዕራፍ 11
1ይፍታሕ ጊልዓዳዊ ድማ፡ ንሱ ወዲ ሓንቲ ኣመንዝራ ሰበይቲ፡ ሓያል ጅግና ነበረ ጊልዓድ ንይፍታሕ ወለደ። 2ሰበይቲ ጊልዓድ ድማ ኣወዳት ወለደትሉ። ደቂ እታ ሰበይቱ ምስ ዓበዩ ኸኣ፡ ንይፍታሕ፡ ንስኻ ወዲ ኻልእ ሰበይቲ ኢኻ እሞ፡ ኣብ ቤት ኣቦና ኣይትወርስን ኢኻ፡ ኢሎም ሰጐጕዎ። 3ሽዑ ይፍታሕ ካብ ቅድሚ ኣሕዋቱ ሃደመ፡ ኣብ ምድሪ ጦብ ከኣ ተቐመጠ። ናብ ይፍታሕ ድማ ከንቱታት ሰባት ተኣከቡ፡ ምስኡ ኸኣ ወጹ። 4ድሕሪ ቕሩብ ግዜ ኸኣ ኰነ፡ ደቂ ዓሞን ምስ እስራኤል ተዋግኡ። 5እቶም ደቂ ዓሞን ምስ እስራኤል ክዋግኡ ኸለዉ፡ እቶም ዓበይቲ ጊልዓድ ንይፍታሕ ካብ ምድሪ ጦብ ከምጽእዎ ኸዱ። 6ንይፍታሕ ከኣ፡ ንዓ ሓለቓና ኹን እሞ ምስ ደቂ ዓሞን ክንዋጋእ፡ በልዎ። 7ይፍታሕ ድማ ንዓበይቲ ጊልዓድ፡ ንስኻትኩምዶ ኣይኰንኩምን ጸሊእኩምንስ፡ ካብ ቤት ኣቦይ ዝሰጐጕኩምኒ፧ ሕጂ ደኣ እንተ ጸበበኩም ከመይ ናባይ ትመጹ፧ በሎም። 8እቶም ዓበይቲ ጊልዓድ ንይፍታሕ፡ ምሳና ኼድካ ንደቂ ዓሞን ክትዋጋእ እሞ ንዅልና ሰብ ጊልዓድ ሓለቓና ኽትከውን፡ ስለዚ ኢና ሕጂ ናባኻ እተመለስና፡ በልዎ። 9ይፍታሕ ከኣ ንዓበይቲ ጊልዓድ፡ ምስ ደቂ ዓሞን ክዋጋእ እንተ መለስኩምኒ፡ እግዚኣብሄርውን ንኣታቶም ኣብ ኢደይ እንተ ሃበኒ፡ ሽዑ ኣነዶ ሓለቓኹም ክኸውን እየ፧ በሎም። 10እቶም ዓበይቲ ጊልዓድ ንይፍታሕ፡ ከም ዘረባኻ እንተ ዘይገበርና፡ እግዚኣብሄር ኣብ መንጎና ሰማዒ ይኹን፡ በልዎ። 11ሽዑ ይፍታሕ ምስቶም ዓበይቲ ጊልዓድ ከደ፡ እቶም ህዝቢ ድማ ኣብ ልዕሊኦም ሓለቓን ፈራድን ገበርዎ። ይፍታሕ ድማ ኵሉ እቲ ዘረባኡ ኣብ ሚጽጳ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ተዛረበ። 12ይፍታሕ ድማ ናብ ንጉስ ደቂ ዓሞን፡ ናባይ መጺእካ ንሃገረይ እትዋግኣስ፡ ምሳይ እንታይ ኣሎካ፧ ክብልዎ ልኡኻት ሰደደሉ። 13እቲ ንጉስ ደቂ ዓሞን ንልኡኻት ይፍታሕ፡ እስራኤል ካብ ግብጺ ኽድይብ ከሎ፡ ነታ ምድረይ ካብ ኣርኖን ክሳዕ ያቦቅን ክሳዕ ዮርዳኖስን ወሲዱለይ እዩ እሞ፡ ሕጂ ኸኣ ንእኣ ብፍቕሪ ይምለሰለይ፡ በሎም። 14ይፍታሕ ድማ ናብ ንጉስ ደቂ ዓሞን መሊሱ ልኡኻት ሰደደ፡ 15በሎ ኸኣ፡ ይፍታሕ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እስራኤል ምድሪ ሞኣብን ምድሪ ደቂ ዓሞንንሲ ኣይወሰደን። 16እስራኤልሲ ኻብ ግብጺ ምስ ደየበ፡ ብበረኻ ኣቢሉ ኽሳዕ ባሕሪ ኤርትራ ኸደ፡ ናብ ቃዴስ ድማ መጸ። 17ሽዑ እስራኤል ናብ ንጉስ ኤዶም ልኡኻት ሰዲዱ፡ በጃኻ ብምድርኻ ኣሕልፈኒ፡ በሎ። ንጉስ ኤዶም ግና ሕራይ ኣይበሎን፡ ናብ ንጉስ ሞኣብ ከኣ ለኣኸ፡ ንሱውን ኣይፈተወን እሞ፡ እስራኤል ኣብ ቃዴስ ተቐመጠ። 18ሽዑ ብበረኻ ኸይዱ፡ ንምድሪ ኤዶምን ንምድሪ ሞኣብን ዞረ፡ ናብ ምብራቕ ምድሪ ሞኣብ መጺኡ ኸኣ፡ ኣብ ስግር ኣርኖን ሰፈሩ። ኣርኖን ዶብ ሞኣብ እዩ እሞ፡ ክንየው ዶብ ሞኣብ ኣይሓለፉን። 19እስራኤል ከኣ ናብ ሲሆን ንጉስ ኣሞራውያን፡ ንጉስ ሔስቦን፡ ልኡኻት ሰዲዱ፡ እስራኤል፡ በጃኻ ኽሳዕ እታ ቦታይ ብምድርኻ ኣሕልፈና፡ በሎ። 20ሲሆን ግና እስራኤል ብዶቡ ኽሓልፍ ኣይኣመኖን እሞ፡ ሲሆን ኵሉ ህዝቡ ኣኪቡ ኣብ ያሃጽ ሰፈረ፡ ምስ እስራኤል ድማ ተዋግአ። 21እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከኣ ንሲሆንን ንዅሉ ህዝቡን ኣብ ኢድ እስራኤል ኣሕሊፉ ሃቦም፡ ሰዓርዎም ድማ፡ ሽዑ እስራኤል ነታ ኣሞራውያን ዝነበርዋ ምድሪ፡ ንብሃገራ ወረስዋ። 22ካብ ኣርኖን ክሳዕ ያቦቅ፡ ካብ በረኻ ኸኣ ክሳዕ ዮርዳኖስ፡ ኵሉ ዶብ ኣሞራውያን ወረሱ። 23ሕጂ ድማ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ንኣሞራውያን ካብ ቅድሚ ህዝቡ እስራኤል ሰጒጕዎም እዩ እሞ፡ ንስኻዶ ኽትወርሶም ኢኻ፧ 24ንስኻስ ከሞሽ ኣምላኽካ ዘውረሰካዶ ኣይትወርስን፧ ከምኡ ድማ ንሕና ነቶም እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኻብ ቅድሜና ዝሰጐጎም ዘበሉ ኽንወርስ ኢና። 25ሕጂ ኸኣ ካብ ባላቅ ወዲ ጺጶር፡ ንጉስ ሞኣብዶ ንስኻ ትበልጽ ኢኻ፧ ንሱ ምስ እስራኤልዶ ተባኢሱ ወይ ምስኦም ተዋጊኡ እዩ፧ 26እስራኤል ኣብ ሔስቦንን ኣብ ዓድታታን፡ ኣብ ዓሮዔርን ኣብ ዓድታታን ኣብ ጥቓ ኣርኖን ዘለዋ ዅለን ከተማታትን ሰለስተ ሚእቲ ዓመት ተቐሚጡ ኸሎ ደኣ ስለምንታይ በቲ ዘበን እቲ ዘይወሰድኩምዎ፧ 27ኣነስ ኣይበደልኩኻን፡ ንስኻ ግና ንኣይ ብምውጋእካ ኽፉእ ትገብረኒ ኣሎኻ። እቲ ፈራዲ እግዚኣብሄር ደኣ ኣብ መንጎ ደቂ እስራኤልን ኣብ መንጎ ደቂ ዓሞንን ሎሚ ይፍረድ። 28እቲ ንጉስ ደቂ ዓሞን ግና ነቲ ይፍታሕ ዝለኣኸሉ ቓል ኣይሰምዖን። 29ሽዑ መንፈስ እግዚኣብሄር ናብ ልዕሊ ይፍታሕ መጸ እሞ፡ ብጊልዓድን ብምናሴን ኣቢሉ ብሚጽጳ ናይ ጊልዓድ ሓለፈ፡ ካብ ሚጽጳ ናይ ጊልዓድ ከኣ ናብ ደቂ ዓሞን ሓለፈ። 30-31ይፍታሕ ድማ ንእግዚኣብሄር፡ ንደቂ ዓሞን ኣብ ኢደይ እንተ ሂብካንስ፡ ሽዑ ክኸውን እዩ፡ ካብ ደቂ ዓሞን ብድሓን ምስ ተመለስኩ፡ እቲ ክቕበለኒ ኢሉ ኻብ ደጌታት ቤተይ ዝወጽእ፡ ንእግዚኣብሄር ይኹን፡ ንዝሓርር መስዋእቲ ከቕርቦ እየ፡ ኢሉ መብጽዓ ተማባጽዐ። 32ሽዑ ይፍታሕ ምስ ደቂ ዓሞን ክዋጋእ ናብኦም ገስገሰ፡ እግዚኣብሄርውን ንኣታቶም ኣብ ኢዱ ኣሕሊፉ ሃቦ። 33ካብ ዓሮዔር ክሳዕ ሚኒት እትኣቱ፡ ዕስራ ኸተማ፡ ክሳዕ ኣቤል-ከራሚም ድማ ብኣዝዩ ብርቱዕ ውግእ ሰዓሮም። ደቂ ዓሞን ከኣ ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ተዋረዱ። 34ይፍታሕ ድማ ናብ ሚጽጳ ናብ ቤቱ ምስ መጸ፡ እንሃ ጓሉ ብኸበሮን ብሳዕስዒትን ክትቅበሎ ወጸት። ሓንቲ ንሳ ጥራይ እያ ውሉዱ፡ ብጀካኣ ወዲ ወይ ጓል ኣይነበሮን። 35ኰነ ኸኣ፡ ንእኣ ምስ ረኣያ፡ ክዳውንቱ ቐዲዱ፡ ኣየ ጓለይ፡ ናብ እግዚኣብሄር ኣፈይ ከፊተ እየ፡ ክምለስ ከኣ ኣይክእልን እየ እሞ፡ ምስቶም ዘናውጹኒ ዄንኪ ሓይለይ ኣድከምክኒ፡ በለ። 36ንሳ ድማ፡ ኣቦየ፡ እግዚኣብሄር ኣብቶም ደቂ ዓሞን ጸላእትኻ ሕነ ኻብ ፈደየልካ፡ ንእግዚኣብሄር ከኣ ኣፍካ ኻብ ከፈትካስ፡ ንኣይ ከምቲ ኻብ ኣፍካ ዝወጸ ግበረኒ፡ በለቶ። 37ነቦኣ ድማ፡ ካብዚ ኸይደ ናብ ኣኽራን ወሪደ ኣነ ምስተን ብጾተይ ኰይነ ንድንግልናይ ክልተ ወርሒ ኽበኽየላ፡ እዚ ነገር እዚ ይገበረለይ፡ በለቶ። 38ኪዲ ኢሉ፡ ክልተ ወርሒ ትኺድ ሓደጋ። ሽዑ ንሳ ምስ ብጾታ ኸይዳ፡ ኣብ ኣኽራን ኰይና ንድንግልናኣ በኸየትላ። 39ኰነ ኸኣ፡ እቲ ኽልተ ወርሒ ምስ መልአ፡ ናብ ኣቦኣ ተመልሰት፡ ከምቲ ተማባጺዕዎ ዝነበረ መብጽዓ ገበራ። ንሳ ድማ ሰብኣይ ከይፈለጠት ነበረት። ኣብ እስራኤል ድማ ስርዓት ኰነ። 40እተን ኣዋልድ እስራኤል በብዓመት እናኸዳ ንጓል ይፍታሕ ጊልዓዳዊ ኣርባዕተ መዓልቲ ይውድሳኣ ነበራ።
መ. መሳፍንቲ ምዕራፍ 12
1ሰብ ኤፍሬም ድማ ተኣኪቦም ናብ ሰሜን ሓለፉ። ንይፍታሕ ከኣ፡ እቲ ምስ ደቂ ዓሞን ክትዋጋእ ክትሓልፍ ከሎኻስ፡ ምሳኻ ክንደይድ ንኣና ዘይጸዋዕካና፡ ስለምንታይ ኢኻ፧ ቤትካ ኣብ ልዕሌኻ ብሓዊ ኸነንድዳ ኢና፡ በልዎ። 2ይፍታሕ ድማ፡ ኣነን ህዝበይን ምስ ደቂ ዓሞን ኣብ ብርቱዕ ምጽራር ከሎና፡ ምስ ጸዋዕኩኹም ከኣ፡ ካብ ኢዶም ኣየድሓንኩምንን። 3ከም ዘይተድሕኑኒ ምስ ርኤኹ ድማ፡ ንነፍሰይ ኣብ ኢደይ ገይረያ፡ ናብ ደቂ ዓሞን ሓለፍኩ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ንኣታቶም ኣብ ኢደይ ሃበኒ። ስለምንታይከ ሎሚ ክትዋግኡኒ ደየብኩም፧ በሎም። 4ይፍታሕ ድማ ንዅሎም ሰብ ጊልዓድ ኣኽቲቱ ምስ ኤፍሬም ተዋግአ። ንሳቶም ከኣ፡ ኣቱም ሰብ ጊልዓድ፡ ካብ ኤፍሬም ሃዲምኩም ኣብ ማእከል ኤፍሬምን ኣብ ማእከል ምናሴን ኢኹም፡ ይብልዎም ነበሩ እሞ፡ እቶም ሰብ ጊልዓድ ንሰብ ኤፍሬም ሰዓርዎም። 5እቶም ጊልዓዳውያን ድማ ንኤፍሬማውያን መሳገሪታት ዮርዳኖስ ሓዙሎም። ኰነ ኸኣ፡ ካብቶም ህዱማት ኤፍሬም፡ ኣሕልፉኒ፡ ምስበሎም፡ እቶም ሰብ ጊልዓድ ድማ፡ ኤፍሬማዊ ዲኻ በልዎ። ንሱ ኸኣ፡ ኣይፋለይን፡ እንተ በለ፡ 6ንሳቶም ድማ፡ እስኪ ሺቦለት በል፡ በልዎ። ንሱ ኸኣ ከምኡ ኣቕኒዑ ምዝራብ ስለዘይከኣለ፡ ሲቦለት፡ በለ። ሽዑ ሒዞም ኣብ መሳገሪታት ዮርዳኖስ ሓረድዎ፡ በታ ግዜ እቲኣ ኻብ ኤፍሬም ኣርብዓን ክልተን ሽሕ ወደቑ። 7ይፍታሕ ድማ ንእስራኤል ሹድሽተ ዓመት ፈረደ። ድሕርቲ ይፍታሕ ጊልዓዳዊ ሞተ፡ ኣብ ሓንቲ ኻብ ኸተማታት ጊልዓድ ከኣ ተቐብረ። 8ድሕሪኡ ኸኣ ኢብጻን በዓል ቤት-ልሄም ንእስራኤል ፈረደ። 9ንሱ ሰላሳ ኣወዳት ነበርዎ፡ ሰላሳ ኣዋልድ ንግዳም ኣመርዓወ፡ ነወዳቱ ድማ፡ ሰላሳ ኣዋልድ ካብ ግዳም ኣእተወሎም፡ ንእስራኤል ኸኣ ሾብዓተ ዓመት ፈረደ። 10ኢብጻን ድማ ሞተ፡ ኣብ ቤት-ልሄም ከኣ ተቐብረ። 11ብድሕሪኡ ኸኣ ኤሎን ዛብሎናዊ ንእስራኤል ፈረደ፡ ንእስራኤል ዓሰርተ ዓመት ፈረደ። 12ኤሎን ዛብሎናዊ ድማ ሞተ፡ ኣብ ኣያሎን ኣብ ምድሪ ዛብሎን ተቐብረ። 13ድሕሪኡ ድማ ዓብዶን፡ ወዲ ሂሌል ጲርዓቶናዊ፡ ንእስራኤል ፈረደ። 14ንሱ ኸኣ ሰብዓ ገልገል ኣድጊ ዝውጥሑ ኣርብዓ ደቅን ሰላሳ ደኢ ደቅን ነበርዎ። ንእስራኤል ድማ ሾሞንተ ዓመት ፈረደ። 15ዓብዶን፡ ወዲ ሂሌል ጲርዓቶናዊ፡ ከኣ ሞተ፡ ኣብ ጲርዓቶን፡ ምድሪ ኤፍሬም፡ ኣብ ከረን ኣማሌቃውያን ከኣ ተቐብረ።
መ. መሳፍንቲ ምዕራፍ 13
1ደቂ እስራኤል ድማ መሊሶም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበሩ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ኣርብዓ ዓመት ኣብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ኣሕሊፉ ሃቦም። 2ማኖኣ ዝስሙ ሰብኣይ ካብ ዓሌት ዳን፡ ብዓል ጾርዓ ነበረ። ሰበይቱ ኸኣ መኻን ነበረት እሞ፡ ኣይወለደትን። 3መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ነታ ሰበይቲ ተራእያ በላውን፡ እንሆ፡ መኻን ኢኺ እሞ፡ ኣይወለድክን፡ ግናኸ ክትጠንሲ ወዲውን ክትወልዲ ኢኺ። 4እምበኣር ሕጂ ወይንን ዘስክርን ከይትሰትዪ ርኹስ ዘበለውን ከይትበልዒ በጃኺ ተጠንቀቒ። 5እንሆ ኸኣ፡ ክትጠንሲ ወዲውን ክትወልዲ ኢኺ፡ እቲ ቘልዓ ኻብ ከርሲ ጀሚሩ ናይ ኣምላኽ ናዝራዊ ክኸውን እዩ እሞ፡ ናብ ርእሱ መላጸ ኣይሓልፎን። ንሱ ድማ ንእስራኤል ካብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ምድሓኖም ክጅምር እዩ። 6ሽዑ እታ ሰበይቲ መጺኣ ንሰብኣያ፡ ትርኢቱ ኸም ትርኢት መልኣኽ ኣምላኽ ኣዝዩ ዘፍርህ፡ ናይ ኣምላኽ ሰብ መጺኡኒ ነይሩ። ኣነ ኻበይ ከም ዝዀነ ኣይጠየቕክዎን፡ ንሱውን ስሙ ኣይነገረንን። 7ግናኸ፡ እንሆ፡ ክትጠንሲ ኢኺ ወዲውን ክትወድልዲ ኢኺ፡ እቲ ቘልዓ ኻብ ከርሲ ጀሚሩስ ክሳዕ መዓልቲ ሞቱ ናዝራዊ ኣምላኽ ክኸውን እዩ እሞ፡ ወይንን ዘስክርን ኣይትስተዪ፡ ርዅስ ዘበለውን ኣይትብልዒ፡ በለኒ ኢላ ተዛረበቶ። 8ማኖኣ ድማ ንእግዚኣብሄር፡ ዎ ጐይታይ፡ እቲ ዝለኣኽካዮ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ነቲ ዝውለድ ቈልዓ እንታይ ከም እንገብረሉ ኽነግረናስ፡ በጃኻ መሊሱ ይምጽኣና፡ ኢሉ ለመነ። 9ኣምላኽ ድማ ቃል ማኖኣ ሰምዐ፡ እታ ሰበይቲ ኣብ መሮር ኮፍ ኢላ ኸላ፡ እቲ መልኣኽ ኣምላኽ መሊሱ መጸ፡ ማኖኣ ሰብኣያ ግና ምስኣ ኣይነበረን። 10እታ ሰበይቲ ድማ ቀልጢፋ ናብ ሰብኣያ ጐይያ፡ እቲ ሓደ መዓልቲ መጺኡኒ ዝነበረ ሰብኣይ፡ እንሆ ተራእዩኒ፡ ኢላ ነገረቶ። 11ማኖኣ ኸኣ ተንሲኡ ደድሕሪ ሰበይቱ ሰዓበ፡ ናብቲ ሰብኣይ መጺኡ ድማ፡ ነዛ ሰበይቲ እተዛረብካያ ሰብኣይ ንስኻ ዲኻ፧ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ኣነ እየ፡ በሎ። 12ማኖኣ ድማ፡ ሕጂ ቓልካ ምስ ተፈጸመ፡ ስርዓት እቲ ቘልዓን ግብሩን እንታይ ክኸውን እዩ፧ በለ። 13እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ንማኖኣ፡ እታ ሰበይቲ ኻብቲ ዝበልክዋ ዅሉ ትጠንቀቕ። 14ካብ ኦም ወይኒ ዝወጽእ ዘበለ ኣይትብላዕ፡ ወይንን ዘስክርን ከኣ ኣይትስተ፡ ርዅስ ዘበለውን ኣይትብላዕ፡ እቲ ዝኣዘዝክዋ ዅሉ ትሓሉ፡ በሎ። 15ማኖኣ ድማ ነቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር፡ ማሕስእ ኣብ ቅድሜኻ ኸነዳልወልካስ፡ በጃኻ ኸነጽንሓካ፡ በሎ። 16እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ንማኖኣ፡ እንተ ኣጽናሕካኒውን ካብ እንጌራኻስ ኣይበልዕን እየ። ዝሓርር መስዋእቲ ኽትገብር እንተ ደሌኻ ድማ፡ ንእግዚኣብሄር ኣዕርገሉ፡ በሎ። ማኖኣ ግና መልኣኽ እግዚኣብሄር ምዃኑ ኣይፈለጠን ነበረ። 17ማኖኣ ድማ ነቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር፡ እቲ ቓልካ ምስ ተፈጸመ፡ ምእንቲ ኸነኽብረካስ፡ ስምካ መን እዩ፧ በሎ። 18እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ከኣ፡ ስለምንታይከ ስመይ እትሓትት፧ ንሱ መንክር እዩ፡ በሎ። 19ማኖኣ ድማ ማሕስእን መስዋእቲ ብልዕን ወሲዱ፡ ኣብ ከውሒ ንእግዚኣብሄር ኣዕረገሉ። ሽዑ ማኖኣን ሰበይቱን እናረኣዩ ተኣምራት ገበረ። 20ኰነ ኸኣ፡ እቲ ሃልሃልታ ኻብ መሰውኢ ናብ ሰማይ ክድይብ ከሎ፡ እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር በቲ ሃልሃልታ መሰውኢ ደየበ። ማኖኣን ሰበይቱን እዚ ምስ ረኣዩ፡ ብገጾም ናብ ምድሪ ተደፍኡ። 21እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ንማኖእን ንሰበይቱን መሊሱ ኣይተራእዮምን። ሽዑ ማኖኣ ንሱ መልኣኽ እግዚኣብሄር ከም ዝዀነ ፈለጠ። 22ማኖኣ ድማ ንሰበይቱ፡ ንኣምላኽ ርኢናዮ ኢና እሞ፡ ብርግጽ ክንመውት ኢና፡ በላ። 23እታ ሰበይቱ ግና፡ እግዚኣብሄር ክቐትለና እንተ ዝደልስ፡ ዝሓርር መስዋእትን መስዋእቲ ብልዕን ካብ ኢድና ኣይምተቐበለን፡ እዚ ዅሉውን ኣይመርኣየናን፡ ከምዚ ናይ ሕጂ ዝበለ ድማ ኣይመስምዓናን፡ በለቶ። 24እታ ስበይቲ ወዲ ወለደት፡ ስሙ ኸኣ ሲምሶን ሰመየቶ። እቲ ቈልዓ ድማ ዓበየ፡ እግዚኣብሄርውን ባረኾ። 25ኣብ መሓነ-ዳን ኣብ መንጎ ጾርዓን ኤሽታኦልን ከሎ ድማ፡ መንፈስ እግዚኣብሄር ክድርኾ ጀመረ።
መ. መሳፍንቲ ምዕራፍ 14
1ሲምሶን ድማ ናብ ቲምናታ ወረደ፡ ኣብ ቲምናታ ኸኣ ካብ ኣዋልድ ፍልስጥኤማውያን ሓንቲ ሰበይቲ ረኣየ። 2ደዪቡ ድማ ነቦኡን ነዲኡን፡ ኣብ ቲምናታ ኻብ ኣዋልድ ፍልስጥኤማውያን ሓንቲ ሰበይቲ ርእየ ኣሎኹ እሞ፡ ሕጂ ንእኣ ኣመርዕዉኒ፡ ኢሉ ነገሮም። 3ኣቦኡን ኣዲኡን ድማ፡ ኬድካ ኻብቶም ዘይግዙራት ፍልስጥኤማውያን ሰበይቲ እተምጽእሲ፡ ኣብ ኣዋልድ ኣሕዋትካ ወይ ኣብ ብዘሎ ህዝበይዶ ሰበይቲ የልቦን፧ በልዎ። ሲምሶን ነቦኡ፡ ብሂገያ እየ እሞ፡ ንእኣ ደኣ ኣምጽኣለይ፡ በሎ። 4ኣቦኡን ኣዲኡን ግና፡ እግዚኣብሄር ካብ ፍልስጥኤማውያን ምኽንያት ይደሊ ነበረ፡ እሞ፡ እዚ ኹሉ ካብኡ ከምዝኾነ ኣይፈለጡን ነበሩ። በታ ግዜ እቲኣ ኸኣ ፍልስጥኤማውያን ንእስራኤል ይገዝእዎም ነበሩ። 5ሽዑ ሲምሶንን ኣቦኡን ኣዲኡን ናብ ቲምናታ ወረዱ፡ ናብቲ ኣብ ቲምናታ ዘሎ ኣታኽልቲ ወይኒ ምስ መጹ ድማ፡ እንሆ፡ ሽደን ኣንበሳ እናጓዘመ ተቐባበሎ። 6መንፈስ እግዚኣብሂር ከኣ ወረዶ፡ ኣብ ኢዱ ገለ እኳ ዘይብሉ ኽነሱ፡ ንማሕስእ ከም ዝሰላልዕ ሰላልዖ። እቲ ዝገበሮ ግና ነቦኡ ዀነ ነዲኡ ኣይነገሮምን። 7ወሪዱ ኸኣ ነታ ሰበይቲ ተዛረባ፡ ንሳ ድማ ንሲምሶን ባህ በለቶ። 8ድሕሪ ቕሩብ መዓልቲ ኸኣ ክወስዳ ተመልሰ፡ ነቲ ገምቢ ኣንበሳ ኽርኢውን ኣግለሰ። እንሆ ድማ፡ ኣብቲ ገረንገረ ኣንበሳ፡ ዕስለ ንህብን መዓርን ነበረ። 9በእዳዉ ወሲዱ ከኣ እናበልዐ ኸደ፡ ናብ ኣቦኡን ኣዲኡን መጺኡ ድማ ሃቦም፡ በልዑ ኸኣ። ነቲ መዓር ካብ ገረንገረ ኣንበሳ ኸም ዝወሰዶ ግና ኣይነገሮምን። 10ኣቦኡ ድማ ናብታ ሰበይቲ ወረደ፡ እቶም መንእሰይ ከምኡ ይገብሩ ነበሩ እሞ፡ ሲምሶንውን ኣብኡ ድግስ ደገሰ። 11ኰነ ኸኣ፡ ምስ ረኣይዎ፡ ምስኡ ዝዀኑ ሰላሳ ኣዕሩኽ ኣምጽኡሉ። 12ሲምሶን ከኣ ንኣታቶም፡ ኣነ ግዳ ሕንቅሕንቅሊቶይ ክብለኩም እሞ፡ ንእኡ በዘን ናይ ድግስ ሾብዓተ መዓልቲ ገሊጽኩም እንተ ነገርኩምኒ፡ ሰላሳ ቐምሽ ልሕጺ እንጣጢዕን ሰላሳ ለውጢ ኽዳንን ክህበኩም እየ። 13ክትነግሩኒ እንተ ዘይከኣልኩም ግና፡ ንስኻትኩም ንኣይ ሰላሳ ቐምሽ ልሕጺ እንጣጢዕን ሰላሳ ለውጢ ኽዳንን ክትህቡኒ ኢኹም፡ በሎም። እቲ ሕንቅሕንቅሊቶይካ ንገረና እሞ፡ ክንሰምዖ፡ በልዎ። 14ሽዑ ንሱ፡ ካብቲ በላዒ ብልዒ ወጸ፡ ካብቲ ሓያል ድማ ጥዑም ወጸ፡ በሎም። ንሳቶም ከኣ ነቲ ሕንቅሕቅሊቶይ ብሰለስተ መዓልቲ እኳ ኽነግርዎ ኣይከኣሉን። 15ኰነ ኸኣ፡ ብሳብዐይቲ መዓልቲ ንሰበይቲ ሲምሶን፡ ንሰብኣይኪ እቲ ሕንቅሕንቅሊቶይ ክነግረና፡ ሓባብልዮ፡ እንተ ዘይኰነስ ንኣኽን ንቤት ኣቦኽን ብሓዊ ኸነንድደኩም ኢና። ከተንድዩና ዲኹም ዝጸዋዕኩምና፡ ከምኡ ደይኰነን፧ በልዋ። 16ሽዑ ሰበይቲ ሲምሶን ኣብ ልዕሊኡ ዀይና እናበኸየት፡ ጸሊእካኒ ኢኻ እምበር፡ ኣይፈቶኻንን፡ ንደቂ ህዝበይ ሕንቅሕንቅሊቶይ ኢልካዮምሲ፡ ንኣይ ከኣ ኣይገለጽካለይን፡ በለቶ። ንሱ ድማ ንእኣ፡ እንሆ፡ ነቦይን ነደይን እኳ ዘይገለጽኩሎምሲ፡ ንኣኺዶ ኽገልጸልኪ እየ፧ በላ። 17ንሳ ኸኣ በተን ሾብዓተ መዓልቲ ድግሶም ኣብ ልዕሊኡ ዀይና በኸየት። ኰነ ኸኣ፡ ንሳ ስለ ዘጨነቐቶ፡ በታ ሳብዓይቲ መዓልቲ ገለጸላ እሞ እቲ ሕንቅሕንቅሊቶይ ንደቂ ህዝባ ገለጸትሎም። 18እቶም ደቂ እታ ኸተማ ኸኣ በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ጸሓይ ከይዓረበት፡ ካብ መዓር ዝጥዕምሲ እንታይ እዩ፡ ካብ ኣንበሳ ዝሕይልከ መን እዩ፧ በልዎ። ንሱ ድማ፡ ብኣርሐይ እንተ ዘይትሓርሱስ፡ ነዚ ሕንቅሕንቅሊቶየይ ኣይምፈለጥኩምዎን ኔርኩም፡ በሎም። 19መንፈስ እግዚኣብሄር ከኣ መጾ እሞ ናብ ኣስቃሎን ወረደ፡ ካብኦም ከኣ ሰላሳ ሰብኣይ ቀተለ፡ ንኣታቶም ገፊፉ ድማ፡ ነቶም ሕንቅሕንቅሊቶዩ ዝገለጹሉ እቲ ለውጢ ኽዳውንቲ ሃቦም። ኵራኡ ድማ ነደደ፡ ናብ ቤት ኣቦኡ ኸኣ ደየበ። 20እታ ሰበይቲ ሲምሶን ነቲ ብፍላይ ፈታዊኡ ዝነበረ ዓርኩ ተዋህበት።
መ. መሳፍንቲ ምዕራፍ 15
1ኰነ ድማ፡ ድሕሪ ቕሩብ መዓልቲ ብግዜ ዓጺድ ስርናይ፡ ሲምሶን ንሰበይቱ ማሕስእ ሒዙ በጽሓ እሞ፡ ናብ ሰበይተይ ኣብ ሕልፍኚ ኽኣቱ እደሊ ኣሎኹ፡ በለ። ኣቦኣ ግና ክኣቱ ኣይፈቐደሉን። 2ኣቦኣ ኸኣ፡ ፈጺምካ ዝጸላእካያ መሲሉንስ ናብ ዓርክኻ ኣመርዕየያ፡ እምበኣር ኣብ ክንድኣ እታ ኻብኣ እትጽብቕ ንእሽቶ ሓብታ ደኣ ንኣኻ ትኹን፡ በለ። 3ሲምሶን ከኣ፡ ድሕሪ ደጊም ኣነ ንፍልስጥኤማውያን ክፉእ እንተ ገበርክዎም፡ በደል የብለይን፡ በሎም። 4ሲምሶን ድማ ከይዱ ሰለስተ ሚእቲ ወኻርያ ሓዘ፡ ፋናታት ወሲዱ ኸኣ፡ ጭራ ምስ ጭራ ኣቋራንዩ ኣብ ማእከል ኣብ መንጎ ኽልተ ጭራ ሓደ ፋና ገበረ። 5ነቲ ፋናታት ብሓዊ ኣቃጺሉ ኸኣ ኣብ ማእከል ዘራእቲ ፍልስጥኤማውያን ፈነወን፡ ቅሚጦን ዘይዕጹድ እኽልን ኣትክልቲ ኣውልዕን ከኣ ነደደ፡ 6ሽዑ ፍልስጥኤማውያን፡ እዚ ዝገበረ መን እዩ፧ በሉ። ሲምሶን፡ ሰብኣይ ጓሉ ነቲ ቲምናታዊ፡ ሰበይቱ ወሲዱ ንዓርኩ ስለ ዝሃቦ፡ ንሱ እዩ በሉ። እቶም ፍልስጥኤማውያን ድማ ደዪቦም፡ ንእኣን ነቦኣን ብሓዊ ኣንደድዎም። 7ሲምሶን ከኣ፡ ከምዚ እኳ እንተ ገበርኩም፡ ኣነስ ኣጸቢቐ ሕነ ኽፈድየኩም እየ፡ ድሕርቲ እየ ዝሓድጎ፡ በሎም። 8ኣብ ምሕኵልትን ኣብ ስለፍን ከኣ ብርቱዕ መውቃዕቲ ወቕዖዎ። ወሪዱ ድማ ኣብ በዓቲ ኸውሒ ዔጣም ተቐመጠ። 9ሽዑ ፍልስጥኤማውያን ደዪቦም ኣብ ይሁዳ ሰፈሩ፡ ኣብ ሌሒ ኸኣ ፋሕ በሉ። 10ሰብ ይሁዳ ድማ፡ ስለምንታይ ናባና ደየብኩም፧ በልዎም። ንሳቶም ከኣ፡ ንሲምሶን ክንኣስሮ፡ ከምቲ ዝገበረና ድማ ክንገብሮ ኢና ዝደየብና፡ በሉ። 11ሽዑ ኻብ ይሁዳ ሰለስተ ሽሕ ሰብኣይ ናብ በዓቲ ኸውሒ ዔጣም ወረዱ፡ ንሲምሶን ከኣ፡ ፍልስጥኤማውያን ከም ዝገዝኡናዶ ኣይትፈልጥን ኢኻ፧ እዚ ዝገበርካና ደኣ እንታይ እዩ፧ በልዎ። ከምቲ ዝገበሩኒ ኸምኡ ገበርክዎም፡ በሎም። 12ንሳቶም ከኣ፡ ኣሲርና ኣብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ከነሕልፈካ ኢና ዝወረድና፡ በልዎ። ሲምሶን ድማ፡ ንስኻትኩም ደኣ ኸይትጐብጡኒ ምሓሉለይ፡ በሎም። 13ንሳቶም ከኣ፡ ኣይፋልናን፡ ኣጽኒዕና ኣሲርና ደኣ ናብ ኢዶም ከነሕልፈካ ኢና እምበር፡ ምቕታልሲ ኣይንቐትለካን ኢና፡ ኢሎም ተዛረብዎ። ብኽልተ ሓድሽ ገመድ ኣሲሮም ድማ ካብቲ ኸውሒ ኣደየብዎ። 14ናብ ሌሒ ምስ መጸ ኸኣ፡ እቶም ፍልስጥኤማውያን እልል እናበሉ ተቐበልዎ። መንፈስ እግዚኣብሄር ድማ ናብ ልዕሊኡ ወረደ፡ እቲ ኣብ ቀላጽሙ ዝነበረ ኣግማድ ከኣ ሓዊ ኸም ዝበልዖ ፈትሊ እንጣጢዕ ኰነ። እቲ መእሰሪኡ ኸኣ ካብ ኣእዳዉ መኸኸ። 15ሓድሽ ምንጋጋ ኣድጊ ድማ ረኸበ፡ ኢዱ ዘርጊሑ ኸኣ ወሰዶ እሞ ብእኡ ገይሩ ሽሕ ሰብኣይ ቀተለ። 16ሲምሶን ከኣ ብንምጋጋ ኣድጊ ሓደ ዅምራ፡ አረ ኽልተ ዅምራ፡ ብምንጋጋ ኣድጊ ሽሕ ሰብኣይ ቀተልኩ፡ በለ። 17ኰነ ኸኣ፡ ዘረባኡ ምስ ወድአ፡ ነቲ ምንጋጋ ኻብ ኢዱ ደርበዮ፡ ነታ ቦታ ድማ ራማት-ሌሒ ሰመያ። 18ንሱ ኸኣ ኣዝዩ ጸምአ እሞ ናብ እግዚኣብሄር ተማህለለ፡ እዚ ዓብዪ ምድሓን እዚ ንስኻ ብኢድ ባርያኻ ሃብካ፡ ሕጂ ኸኣ ብጽምኢ ኽመውት፡ ኣብ ኢድ እቶም ዘይግዙራትውን ክወድቕ እየ፡ በለ። 19ሽዑ ኣምላኽ ነታ ኣብ ሌሒ ዝነበረት ገንኦ ሰንጠቓ፡ ካብኣ ድማ ማይ ወጸ። ምስ ሰተየ ድማ መንፈሱ ተመልሰ፡ ሓወየ ኸኣ። ስለዚ ስማ ዔን-ሃቆረ ሰመያ፡ ንሳ ኽሳዕ ሎሚ ኣብ ሌሒ ኣላ። 20ንሱ ድማ ብዘበን ፍልስጥኤማውያን ንእስራኤል ዕስራ ዓመት ፈረደ።
መ. መሳፍንቲ ምዕራፍ 16
1ሲምሶን ድማ ናብ ጋዛ ኸደ፡ ኣብኣ ኸኣ ሓንቲ ኣመንዝራ ሰበይቲ ረኣየ እሞ ናብኣ ኣተወ። 2ንሰብ ጋዛ፡ ሲምሶን ናብዚ ኣትዩ፡ በልዎም። ንሳቶም ድማ ከበብዎ፡ ኣብ ደገ እታ ኸተማ ኸኣ ምሉእ ለይቲ ድብቕ ኣንበሩሉ። እንሆ፡ ምስ በርሄ ኽንቀትሎ ኢሎም ድማ፡ ምሉእ ለይቲ ስቕ በሉ። 3ሲምሶን ከኣ ክሳዕ ፍርቂ ለይቲ ደቀሰ። ፍርቂ ለይቲ ምስ ኰነ ድማ፡ ተንሲኡ ነቲ መዓጹ ደገ እታ ኸተማ ምስ ክልተ ልዳውቱን ምስ መሸጐሪኡን ሒዙ መንቈሶ፡ ኣብ መንኵቡ ገይሩ ድማ ናብ ርእሲ እቲ ኣብ መንጽር ኬብሮን ዘሎ ኸረን ኣደየቦ። 4ድሕርዚ ኸኣ ኰነ፡ ኣብ ለሰ ሾሬቅ ደሊላ ዝስማ ሰበይቲ ፈተወ። 5እቶም ሹምማቲ ፍልስጥኤማውያን ድማ ናብኣ ደዪቦም፡ ኣሲርና ኽንመልኮስ ከመይ ጌርና ኸም እንኽእሎ፡ እቲ ዓብዪ ሓይሉውን ብምንታይ ምዃኑ ኽትርእዪ ሓባብልዮ፡ ንሕና ኸኣ ነፍሲ ወከፍና ሽሕን ሚእትን ሲቃል ብሩር ክንህበኪ ኢና፡ በልዋ። 6ደሊላ ድማ ንሲምሶን፡ እዚ ዓብዪ ሓይልኻ ብምንታይ ምዃኑ፡ ክትምለኽሲ ኸመይ ከም እትእሰር፡ በጃኻ ንገረኒ፡ በለቶ። 7ሲምሶን ድማ፡ ብሾብዓተ ሓድሽ ዘይነቐጸ ምራን እንተ ኣሰሩኒ እደክም፡ ከም ማንም ሰብ ከኣ እኸውን፡ በላ። 8ሽዑ እቶም ሹማምቲ ፍልስጥኤማውያን ሾብዓተ ሓድሽ ዘይነቐጸ ምራን ኣምጽኡሉ እሞ ብእኡ ኣሰረቶ። 9ኣብ ሕልፍኝኣ ድቡቓት ኣቐሚጣ ነበረት እሞ፡ ሲምሶን፡ ፍልስጥኤማውያን እነዉ ኣብ ልዕሌኻ፡ በለቶ። ሽዑ ነቲ ምውራንቲ፡ ሓዊ ዘጨነዎ ፈትኒ ኸም ዝምናህ፡ ምንህንህ ኣበሎ። እቲ ሓይሉ ብምንታይ ምዃኑ ድማ ኣይተፈልጠን፡ 10ደሊላ ኸኣ ንሲምሶን፡ እንሆ፡ ኣላጊጽካለይ፡ ሓሶት ድማ ተዛሪብካኒ ኢኻ፡ ሕጂ ብምንታይ ከም እትእሰር፡ በጃኻ ንገረኒ፡ በለቶ። 11ንሱ ድማ፡ ገለ ዕዮ ብዘይ ተዓየሉ ሓድሽ ገመድ ኣጽኒዖም እንተ ኣሰሩኒ፡ እደክም፡ ከም ማንም ሰብ ከኣ እኸውን፡ በላ። 12ደሊላ ድማ ሓድሽ ገመድ ወሲዳ ንሲምሶን ብእኡ ኣሰረቶ። ሲምሶን፡ ፍልስጥኤማውያን እነዉ ኣብ ልዕሌኻ፡ በለቶ። እቶም ድቡቓት ከኣ ኣብቲ ሕልፍኚ ነበሩ። ካብ ቀላጽሙ ድማ ከም ፈትሊ በተኾ። 13ደሊላ ኸኣ ንሲምሶን፡ ክሳዕ ሕጂ ኣላጊጽካለይ፡ ሓሶት ተዛረብካኒ ኢኻ፡ ብምንታይ ከም እትእሰር ደኣ ንገረኒ፡ በለቶ። ነቲ ሾብዓተ ሽርበ ርእሰይ ምስ ቅጥኒ እንተ ኣለምክዮ፡ በላ። 14ኣብ ሽኻል ኣሲራቶ ድማ፡ ሲምሶን፡ ፍልስጥኤማውያን እነዉ ኣብ ልዕሌኻ፡ በለቶ። ንሱ ድማ ካብ ድቃሱ ተበራቢሩ፡ ነቲ ሽኻል ማእለማን ነቲ ቕጥንን መንቈሶ። 15ንሳ ኸኣ፡ ልብኻ ዘይምሳይ ክነሱ ደኣ ከመይ ጌርካ ኢኻ፡ እፈትወኪ እየ፡ እትብለኒ ዘሎኻ፧ ሰለስተ ሳዕ ኣላጊጽካለይ፡ እዚ ዓብዪ ሓይልኻ ብምንታይ ምዃኑውን ኣይነገርካንን፡ በለቶ። 16ኰነ ኸኣ፡ ኵሉ መዓልቲ ብዘረባኣ ላሕ ምስ ኣበለቶን ምስ ኣሰቀየቶን፡ ነፍሱ ኽሳዕ ሞት ተጨነቐት። 17ኵሉ ልቡ ኸኣ ገለጸላ፡ ኣነ ኻብ ከርሲ ኣደይ ጀሚረ ናዝራዊ ኣምላኽ እየ እሞ፡ ናብ ልዕሊ ርእሰይ መላጸ ኣይሓለፈን፡ ስለዚ እንተ ተላጼኹ፡ ሓይለይ ካባይ ይኸይድ፡ እደክም ድማ፡ ከም ኵሉ ሰብ ከኣ እኸውን፡ በላ። 18ደሊላ ድማ ኵሉ ልቡ ኸም ዝገለጸላ፡ ምስ ረኣየት፡ ነቶም ሹማምቲ ፍልስጥኤማውያን ልኢኻ ጸውዓቶም፡ ኵሉ ልቡ ገሊጹለይ እዩ እሞ፡ ሕጂ ደይቡ፡ በለቶም። ሽዑ እቶም ሹማምቲ ፍልስጥኤማውያን እቲ ገንዘብ ኣብ ኢዶም ሒዞም ናብኣ ደየቡ። 19ንሳ ኸኣ ኣብ ኣብራኻ ኣደቀሰቶ፡ ሓደ ሰብኣይ ጸዊዓ ድማ ነቲ ሾብዓተ ሽርበ ርእሱ ኣላጸየት፡ ክትመልኮ ኸኣ ጀመረት፡ ሓይሉውን ካብኡ ኸደ። 20ሲምሶን፡ ፍልስጥኤማውያን እነዉ ኣብ ልዕሌኻ፡ በለቶ። ንሱ ድማ ካብ ድቃሱ ተበራበረ፡ እግዚኣብሄር ከም ዝሓደጎ ኣይፈለጠን እሞ፡ ከም ቀዳማይ ግዝያት፡ ፍንሕንሕ ኢለ ኽወጽእ እየ፡ ኢሉ ሓሰበ። 21እቶም ፍልስጥኤማውያን ግና ሒዞም ኣዒንቱ ጐጥጐጥዎ። ናብ ጋዛ ኣውሪዶም ድማ ብመቐውሕ ኣስራዚ ኣሰርዎ፡ ኣብቲ ቤት እሱራት ከኣ ይጥሕን ነበረ። 22እቲ ጸጒሪ ርእሱ ግና ድሕሪ ምልጻዩ ኽበቁል ጀመረ። 23እቶም ሹማምቲ ፍልስጥኤማውያን ከኣ፡ ኣምላኽና ንሲምሶን ጸላኢና ኣብ ኢድና ሂቡና፡ ኢሎም ንዳጎን ኣምላኾም ብዙሕ መስዋእቲ ኽስውኡን ክሕጐሱን ተኣከቡ፡ 24እቶም ህዝቢ ምስ ረኣይዎ ድማ፡ ነቲ ንሃገርና ዘጥፍአን ንብዙሓት ካባና ዝቐተለን ጸላኢና ኣምላኽና ኣብ ኢድና ሂቡና፡ ኢሎም ንኣምላኾም ወደስዎ። 25ዀነ ኸኣ፡ ልቦም ምስ ተሓጐሰ፡ ንሲምሶን ከስሕቐና ጸውዕዎ፡ በሉ። ንሲምሶን ከኣ ካብ ቤት ማእሰርቲ ኣምጽእዎ፡ ኣብ ቅድሚኦም ኰይኑውን የስሕቖም ነበረ፡ ኣብ መንጎ ኣዕኑድ ከኣ ደው ኣበልዎ። 26ሲምሶን ድማ ነቲ ብኢዱ ዝሓዞ ቘልዓ፡ ነቲ ንቤት ጾይሩ ዘሎ ኣዕኑድ ሒዘ ኽጽግዖስ ናብኡ ምርሓኒ በሎ። 27እታ ቤት ድማ ሰብኣይን ሰበይትን መሊኣ ነበረት። እቶም ሹማምቲ ፍልስጥኤማውያን ከኣ ኵሎም ኣብኣ ነበሩ። ሲምሶን ክስሓቕ ከሎ ድማ ኣብ ልዕሊ ናሕሲ ዀይኖም ዝርእዩ ኣስታት ሰለስተ ሽሕ ሰብኣይን ሰበይትን ነበሩ። 28ሲምሶን ከኣ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ዎ ጐይታ፡ በጃካ ዘክረኒ። ኣታ ኣምላኸይ፡ ንፍልስጥኤማውያን ሓንሳእ ሕነ እዘን ክልቲአን ዓይነይ ክፈድዮምሲ፡ በጃኻ ነዛ ግዜ እዚኣ ጥራይ ሓይሊ ሃበኒ፡ ኢሉ ናብ እግዚኣብሄር ተማህለለ። 29ሽዑ ሲምሶን ነቲ ቤት ዝጾረ ኽልተ ዓንዲ ማእከል፡ ነቲ ሓደ ብየማኑ ነቲ ሓደ ኸኣ ብጸጋሙ ሓዞ። 30ሲምሶን ድማ፡ ነፍሰይ ምስ ፍልስጥኤማውያን ትሙት፡ በለ። ብሓይሊ ኸኣ ተጐበጠ፡ እታ ቤት ድማ ናብ ልዕሊ እቶም ሹማምትን፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብኡ ዝነበረ ዅሉ ህዝብን ወደቐት። ካብቶም ብህይወቱ ኸሎ ዝቐተሎም ከኣ ብሞቱ ዝቐተሎም ምዉታት በዝሑ። 31ሽዑ ኣሕዋቱን ብዘለዉ ቤት ኣቦኡን ወሪዶም ሒዞሞ ደየቡ፡ ኣብ መቓብር ኣቦኡ ማኖኣ ኣብ መንጎ ጾርዓን ኤሽታኦልን ቀበርዎ። ንእስራኤል ድማ ዕስራ ዓመት ፈረደ።
መ. መሳፍንቲ ምዕራፍ 17
1ኣብ ከረን ኤፍሬም ሚካ ዝስሙ ሰብኣይ ነበረ። 2ነዲኡ ድማ፡ እቲ እተወስደኪ እሞ ዝረገምክሉ፡ እናሰማዕኩ እተዛረብክሉ ሽሕን ሚእትን ሲቃል ብሩር፡ ኣነ ወሲደዮ፡ እቲ ብሩር እንሆ ምሳይ ኣሎ፡ በላ። ኣዲኡ ኸኣ፡ ወደየ፡ እግዚኣብሄር ይባርኽካ፡ በለቶ። 3ነቲ ሽሕን ሚእትን ሲቃል ብሩር ነዲኡ መለሰላ። ኣዲኡ ድማ፡ እዚ ብሩርዚ ንወደይ፡ እትጸርበን ዝፈሰሰን ምስሊ ምእንቲ ኽግበሮስ፡ እዚ ብሩርዚ ንእግዚኣብሄር ፈጺመ ቐዲሰዮ ኣሎኹ፡ ሕጂ ኸኣ ክመልሰልካ እየ፡ በለቶ። 4ንሱ ኸኣ እቲ ብሩር ነዲኡ መለሰላ፡ ኣዲኡ ድማ ክልተ ሚእቲ ሲቃል ወሲዳ ነንጠረኛ ሃበቶ። ንሱ ኸኣ ንእኡ እተጸርበ ምስልን ዝፈሰሰ ምስልን ገበሮ፡ ኣብ ቤት ሚካ ኸኣ ነበረ። 5እቲ ሰብኣይ፡ ሚካ፡ ቤት ኣምላኽ ነበሮ፡ ኤፎድን ተራፊምን ድማ ገበረ፡ ንሓደ ኻብ ደቁ ኸኣ ካህኑ ክኸውን ቀደሶ። 6በታ ግዜ እቲኣ ኣብ እስራኤል ንጉስ ኣይነበረን እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ቅኑዕ ኰይኑ እተራእዮ ገበረ። 7ኣብ ቤት-ልሄም-ይሁዳ ኻብ ዓሌት ይሁዳ ሓደ መንእሰይ ነበረ። ንሱ ሌዋዊ እዩ፡ ንሱ ኸኣ ኣብኡ ወሰንተኛ ዀይኑ ይቕመጥ ነበረ። 8እቲ ሰብኣይ ኣብ ዝረኸበ ቦታ ክቕመጥ፡ ካብታ ኸተማ፡ ካብ ቤት-ልሄም-ይሁዳ ኸደ። መገዱ ክኸይድ ከሎ ድማ፡ ኣብ ከረን ኤፍሬም ናብ ቤት ሚካ መጸ። 9ሚካ ኸኣ፡ ካበይ መጺእካ ኢኻ፧ በሎ። ንሱ ድማ፡ ኣነ ኻብ ቤት-ልሄም-ይሁዳ ሌዋዊ እየ፡ ኣነ ኣብ ዝረኸብኩ ቦታ ክቕመጥ እኸይድ ኣሎኹ፡ በሎ። 10ሚካ ኸኣ፡ ምሳይ ተቐመጥ እሞ ኣቦን ካህንን ኩነኒ፡ ኣነ ድማ ንዓመት ዓሰርተ ሲቃል ብሩርን ዝግባእ ክዳውንትን ቀለብካን ክህበካ እየ፡ በሎ። ሽዑ እቲ ሌዋዊ ኣተወ። 11እቲ ሌዋዊ ድማ ምስቲ ሰብኣይ እቲ ክቕመጥ ፈተወ። እቲ መንእሰይ ከኣ ከም ሓደ ኻብ ደቁ ዀኖ። 12ሚካ ድማ ነቲ ሌዋዊ ቀደሶ፡ እቲ መንእሰይ ከኣ ካህኑ ዀነ። ኣብ ቤት ሚካ ኸኣ ነበረ። 13ሚካ ድማ፡ ሌዋዊ ኻህን ኣሎኒ እሞ፡ እግዚኣብሄር ጽቡቕ ከም ዝገበረለይ ሕጂ ፈለጥኩ፡ በለ።
መ. መሳፍንቲ ምዕራፍ 18
1በቲ ዘበን እቲ ኣብ እስራኤል ንጉስ ኣይነበረ፡ እቶም ነገድ ዳን ድማ ክሳዕ እታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ መንጎ ነገዳት እስራኤል ርስቲ ኣይበጽሖምን ነበረ እሞ፡ በቲ ዘበን እቲ ዝነብሩሉ ርስቲ ይደልዩ ነበሩ። 2ሽዑ እቶም ደቂ ዳን፡ ምድሪ ኽስልዩን ክምርምሩን፡ ካብ ዓሌቶም፡ ካብ ብዘሎ ፍቕዶም፡ ሓሙሽተ ሰብኣይ፡ ሓያላት ሰባት፡ ካብ ጾርዓን ካብ ኤሽታዖልን ሰዲዶም ድማ፡ ኬድኩም ነታ ምድሪ መርምርዋ፡ በልዎም። ንሳቶም ከኣ ናብ ከረን ኤፍሬም፡ ናብ ቤት ሚካ መጹ፡ ኣብኣውን ሓደሩ። 3ንሳቶም ኣብ ቤት ሚካ ኸለዉ፡ ድምጺ እቲ መንእሰይ ሌዋዊ ኣለለይዎ እሞ ናብኡ ኣግሊሶም፡ መን ናብዚ ኣምጽኣካ፧ ኣብዝኸ ንስኻ እንታይ ትገብር ኣሎኻ፧ ኣብዝስ እንታይ ኣሎኳ፧ በልዎ። 4ንሱ ድማ፡ ሚካ ኸምዝን ከምዝን ገበረለይ፡ ንሱ ኣሕዲሩኒ፡ ኣነ ኸኣ ካህን ኰንክዎ፡ በሎም። 5ንሳቶም ድማ፡ እዛ ንሕና እንኸዳ ዘሎና መገዲ እትቐንዓና እንተ ዀይና ኽንፈልጥሲ፡ በጃኻ ንኣምላኽ ጠይቐልና፡ በልዎ። 6እቲ ኻህን ድማ፡ እዛ እትኸድዋ ዘሎኹም መገዲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እያ እሞ፡ ብሰላም ኪዱ፡ በሎም። 7እቶም ሓሙሽተ ሰብኣይ ከዱ ኣብ ላይሽ ድማ ኣተዉ፡ ነቲ ኣብኡ ዘሎ ህዝቢ ተኣሚኑ ኸም ስርዓት ሲዶናውያን ብህድኣትን ብእምነትን ከም ዝቕመጥ ረኣየ። ኣብታ ሃገር ከኣ ገለ ኽፉእ ዝገብሮም በዓል ስልጣን ኣይነበረን፡ ንሳቶም ካብ ሲዶናውያን ርሑቓት ነበሩ፡ ምስ ገለ ሰብ እኳ ነገር ኣይነበሮን። 8ናብ ጾርዓን ኤሽታዖልን ከኣ፡ ናብ ኣሕዋቶም መጹ፡ እቶም ኣሕዋቶም ድማ፡ እንታይ ተውርዩልና፧ በልዎም። 9-10ንሳቶም ከኣ፡ ነታ ሃገር ርኢናያ ኢና እሞ፡ እንሆ ድማ፡ ብዙሕ ጽብቕቲ እያ፡ ንስኻትኩም ስቕዶ ኢልኩም ኬድኩም፧ ነታ ሃገር ክትኣትውዋን ክትወርስዋን ኣይትደንጕዩ። ኣምላኽ ንእኣ ኣብ ኢድኩም ሂቡኩም እዩ እሞ፡ ተንስኡ ንደይቦም። ናብኣ ምስ በጻሕኩም፡ ናብ ተኣሚኑ ዝነብር ህዝቢ ኽትኣትዉ ኢኹም። እታ ሃገር ከኣ ኣዝያ ገፋሕ እያ፡ ኣብ ምድሪ ዘሎ ዅሉ ነገር ዘይጐድላ ቦታ እያ፡ በልዎም። 11ሽዑ ኻብ ዓሌት ደቂ ዳን ሹድሽተ ሚእቲ ሰብኣይ ኣጽዋር ውግእ ተዓጢቖም ካብ ጾርዓን ካብ ኤሽታዖልን ነቐሉ። 12ደዪቦም ከኣ ኣብ ቅርያት-የዓሪም ናይ ይሁዳ ሰፈሩ። ስለዚ እታ ቦታ እቲኣ ኽሳዕ ሎሚ ሰፈር ዳን ትበሃል ኣላ። እንሃ፡ ኣብ ድሕሪ ቅርያት-የዓሪም ኣላ። 13ካብኣ ንኸረን ኤፍሬም ሓሊፎም፡ ናብ ቤት ሚካ መጹ። 14ሽዑ እቶም ንሃገር ላይሽ ክስልዩ ኸይዶም ዝነበሩ ሓሙሽተ ሰብኣይ ነቶም ኣሕዋቶም፡ ኤፎድን ተራፊምን እተጸርበ ምስልን ዝፈሰሰ ምስልን ኣብዘን ኣባይቲ እዚአን ከም ዘሎስ፡ ትፈልጡዶ ኣሎኹም፧ ሕጂ ድማ እትገብርዎ ፍለጡ፡ ኢሎም መለሱሎም። 15ናብ ቤት እቲ ኣብ ቤት ሚካ ዝነብር መንእሰይ ሌዋዊ ኣግሊሶም ብዛዕባ ጥዕናኡ ጠየቕዎ። 16እቶም ካብ ደቂ ዳን ኣጽዋር ውግእ እተዓጥቁ ሹድሽተ ሚእቲ ሰብኣይ ኣብ ኣፍ ደገ ደው ኢሎም ነበሩ። 17እቶም ነታ ሃገር ክስልዩ ኸይዶም ዝነበሩ ሓሙሽተ ሰብኣይ ድማ፡ እቲ ኻህን ምስቶም ኣጽዋር ውግእ እተዓጥቁ ሹድሽተ ሚእቲ ሰብኣይ ኣብ ኣፍ ደገ ደው ኢሉ ኸሎ፡ ደዪቦም ናብኡ ኣትዮም፡ ነቲ እተጸርበ ምስልን ነቲ ኤፎድን ንተራፊምን ነቲ ዝፈሰሰ ምስልን ወሰዱ። 18እዚኣቶም ናብ ቤት ሚካ ኣትዮም ነቲ እተጸርበ ምስልን ነቲ ኤፎድን ንተራፊምን ነቲ ዝፈሰሰ ምስልን ምስ ወሰዱ፡ እቲ ኻህን፡ እንታይ ትገብሩ ኣሎኹም በሎም። 19ንሳቶም ከኣ፡ ስቕ በል፡ ኣፍካ ብኢድካ ሒዝካ ምሳና ኺድ እሞ፡ ኣቦን ካህንን ኩነና። ኣብ ቤት ሓደ ሰብኣይ ካህን ምዃንዶ፡ ወይ ኣብ ሓደ ነገድን ኣብ ሓደ ዓሌትን፡ ኣብ እስራኤል ካህን ምዃን ይሕሸካ፧ በልዎ። 20ሽዑ ልቢ እቲ ኻህን ተሓጐሰ እሞ፡ ነቲ ኤፌድን ንተራፊምን ነቲ እተጸርበ ምስልን ወሲዱ፡ ኣብ ማእከል እቲ ህዝቢ ኣተወ። 21ተመሊሶም ድማ ቈልዑን ማልን እቲ ኽቡር ነገርን ቀቅድሚኦም ገይሮም ከዱ። 22ንሳቶም ካብ ቤት ሚካ ምስ ረሓቑ ከኣ፡ እቶም ጐረባብቲ ቤት ሚካ ዝነበሩ ሰባት ብኣውያት ተኣኪቦም ንደቂ ዳን ኣርከብዎም። 23ንደቂ ዳን ድማ ጸውዕዎም። ንሳቶም ከኣ ገጾም መሊሶም ንሚካ፡ ብኣውያት እትእከብ እንታይ ኴንካ ኢኻ፧ በልዎ። 24ንሱ ድማ፡ ንስኻትኩም፡ ነቶም ዝገበርክዎም ኣማልኽተይን ነቲ ኻህንን ሒዝኩም ትኸዱ ኣሎኹም፡ ከመይ ኢልኩም፡ እንታይ ኴንካ ኢኻ እትብሉኒ፧ ደጊምከ እንታይ ተሪፉኒ እዩ፧ በሎም። 25እቶም ደቂ ዳን ከኣ፡ ነፍሶም እተመረረት ሰባት ከይገጥሙልኩም እሞ፡ ንነፍስኻን ንነፍሲ ቤተ ሰብካን ከይተጥፍእሲ፡ ቃልካ ኣባና ኣይሰማዕ፡ በልዎ። 26እቶም ደቂ ዳን ድማ መገዶም ከዱ። ሚካ ኸኣ ካብኡ ከም ዝሕይሉ ምስ ረኣየ፡ ተመሊሱ ናብ ቤቱ መጸ። 27ንሳቶም ድማ ነቲ ሚካ ዝገበሮን ነቲ ዝነበሮ ኻህንን ሒዞም፡ ናብቲ ሃዲኡን ተኣሚኑን ዝነበረ ህዝቢ፡ ናብ ላይሽ መጹ። ብስሕለት ሴፍ ቀተልዎም፡ ነታ ኸተማ ኸኣ ብሓዊ ኣንደድዋ። 28ንሳ ኻብ ሲዶን ርሕቕቲ ነበረት፡ ምስ ካልእ ሰብ ድማ ዝገበርዎ ነገር ኣይነበሮምን እሞ፡ ዘድሕኖም ኣይነበረን። ንሳ ኸኣ ኣብቲ ኣብ ቤት-ሬሖብ ዘሎ ለሰ እያ ዘላ። ነታ ኸተማ ድማ ሰሪሖም ተቐመጥዋ። 29ስም እታ ኸተማ ድማ ብስም እቲ ንእስራኤል እተወልደሉ ዳን ኣቦኦም፡ ዳን ኢሎም ሰመይዋ። ቅድም ግና ስም እታ ኸተማ ላይሽ ይበሃል ነበረ። 30እቶም ደቂ ዳን ድማ ነቲ ጽሩብ ምስሊ ንርእሶም ኣቘምዎ። ክሳዕ እታ ሃገር እትማረኸላ መዓልቲ፡ ዮናታን፡ ወዲ ጌርሾም ወዲ ሙሴ፡ ንሱን ደቁን ንነገድ ደቂ ዳን ካህናቶም ኰኑ። 31እታ ቤት ኣምላኽ ኣብ ሲሎ ኽሳዕ ዘላ ዅሉ ዘበን፡ ነቲ ሚካ ዝገበሮ ጽሩብ ምስሊ ንኣታቶም ኣቑሞምዎ ነበሩ።
መ. መሳፍንቲ ምዕራፍ 19
1ኰነ ኸኣ፡ በቲ ኣብ እስራኤል ንጉስ ዘይነበሮ ዘበን፡ ሓደ ሌዋዊ ሰብኣይ ንኸረን ኤፍሬም ኣብ ወገን ንየው ወሰንተኛ ዀይኑ ይቕመጥ ነበረ። ንሱ ኻብ ቤት-ልሄም-ይሁዳ ሰበይቲ ወሰን ወሰደ። 2እታ ሰበይቲ ወሰኑ ኸኣ መንዘረት፡ ካብኡ ናብ ቤት ኣቦኣ ናብ ቤት-ልሄም-ይሁዳ ኸይዳ ኸኣ፡ ኣብኣ ኣርባዕተ ወርሒ ዝኸውን ግዜ ተቐመጠት። 3እቲ ሰብኣያ ድማ፡ ልባ ኣፍትዩ ኽመልሳ፡ ተንሲኡ ደድሕሪኣ ኸደ። ጊልያኡን ክልተ ኣድግን ከኣ ምስኡ ነበሩ። ንሳ ድማ ናብ ቤት ኣቦኣ ኣእተወቶ፡ ኣቦ እታ መርዓት ምስ ረኣዮ ኸኣ ተሓጒሱ ተቐበሎ። 4እቲ ሓሙኡ፡ ኣቦ እታ መርዓት፡ ድማ ግዲ በሎ እሞ ሰለስተ መዓልቲ ምስኡ ተቐመጠ። በልዑን ሰተዩን ኣብኡ ኸኣ ሓደሩ። 5ኰነ ኸኣ፡ በታ ራብዐይቲ መዓልቲ ኣንጊሆም ተንስኡ፡ ክኸይድ ድማ ተላዕለ። ኣቦ እታ መርዓት፡ ንሰብኣይ ጓሉ፡ ቁራስ እንጌራ በሊዕካ ልብኻ ኣጽንዕ እሞ ድሕርቲ ኽትከዱ፡ በሎ። 6ኮፍ ኢሎም ድማ ክልቲኦም ብሓንሳእ በልዑን ሰተዩን። ኣቦ እታ መርዓት ከኣ ነቲ ሰብኣይ፡ በጃኻ ፈቲኻ ሕደር፡ ልብኻውን ይተሓጐስ፡ በሎ። 7እቲ ሰብኣይ ግና ክኸይድ ተንስአ፡ እቲ ሓሙኡ ደኣ ግዲ በሎ እሞ፡ መሊሱ ኣብኡ ሓደረ። 8ብሓምሰይቲ መዓልቲ ድማ ክኸይድ ኣንጊሁ ተንስአ። ኣቦ እታ መርዓት ከኣ፡ በጃኻ ልብኻ ኣጽንዕ፡ ምድሪ ኽሳዕ ዝውልውል ጽናሕ፡ በሎ፡ ክልቲኦም ድማ በልዑ። 9እቲ ሰብኣይ ምስታ ሰበይቲ ወሰኑን እቲ ጊልያኡን ክኸይድ ምስ ነቐለ፡ ሓሙኡ፡ ኣቦ እታ መርዓት፡ እንሆ፡ መዓልቲ ኽዓርብ ኢሉ፡ በጃኻ ሕደሩ፡ እንሆ መዓልቲ መስዩ እዩ እሞ ሕደር፡ ልብኻ ይተሓጐስ፡ ጽባሕ ድማ ናብ ቤትካ ኽትከይድሲ ኣንጊህኩም መገድኹም ኪዱ፡ በሎ። 10እቲ ሰብኣይ ግና ክሓድር ኣይፈተወን እሞ ተንሲኡ ኸደ፡ ክሳዕ መንጽር ይቡስ መጸ፡ — ንሳ ኸኣ የሩሳሌም እያ — ። እተን ክልተ ጽዑናት ኣእዱግን እታ ሰበይቲ ወሰኑን ድማ ምስኡ ነበራ። 11ኣብ ይቡስ ምስ በጽሑ፡ ምድሪ ኣዝያ መስያ ነበረት እሞ፡ እቲ ጊልያ ንጐይታኡ፡ በጃኻ ንዓ፡ ናብዛ ኸተማ ይቡሳውያን ኣግሊስና ኣብኣ ንሕደር፡ በሎ። 12ጐይታኡ ኸኣ፡ ካብ ደቂ እስራኤል ናብ ዘብላ ኸተማ ጓኖት ኣይንኣቱን። ናብ ጊብዓ ደኣ ንሕለፍ፡ በሎ። 13ነቲ ጊልያኡ ድማ፡ ንዓናይ፡ ናብ ሓንቲ ኻብዘን ቦታታት እዚአን ንቕረብ እሞ ኣብ ጊብዓ ወይ ኣብ ራማ ንሕደር፡ በሎ። 14ሓሊፎም ድማ ከዱ፡ ኣብ ጥቓ ጊብዓ፡ እታ ናይ ብንያም፡ ጸሓይ ዓረበቶም። 15ኣብ ጊብዓ አትዮም ክሓድሩ ናብኣ ኣግለሱ። ምስ ኣተዉ ኸኣ፡ ኣብ ኣደባባይ እታ ኸተማ ተቐመጡ፡ ኣብ ቤቱ ኸሕድሮም እተቐበሎም ሰብ ግና ኣይነበረን። 16እንሆ ድማ፡ ሓደ ኣረጊት ሰብኣይ ምሸት ካብ ዕዮኡ ኻብ መሮር መጸ። እዚ ሰብኣይ እዚ ከኣ ካብ ከረን ኤፍሬም መጺኡ ወሰንተኛ ዀይኑ ኣብ ጊብዓ ይቕመጥ ነበረ፡ ሰብ እታ ቦታ ግና ብንያማውያን ነበሩ። 17ዓይኑ ቛሕ እንተ ኣበለ፡ ነቲ ሓላፍ መገዲ ሰብኣይ ኣብ ኣደባባይ እታ ኸተማ ተቐሚጡ ረኣዮ። እቲ ኣረጊት ሰብኣይ ከኣ፡ ናበይ እትኸይድ ኢኻ፧ ካበይከ መጺእካ፧ በሎ። 18ንሱ ድማ፡ ንሕና ኻብ ቤት-ልሄም-ይሁዳ፡ ንኸረን ኤፍሬም ናብ ወገን ንየው እንሓልፍ ኢና፡ ኣነ ኻብኡ እየ፡ ናብ ቤት-ልሄም-ይሁዳ ደኣ ኸይደ ነይረ፡ ሕጂ ኸኣ ናብ ቤት እግዚኣብሄር እኸይድ ኣሎኹ፡ ኣብ ቤቱ ዘሕድረኒ ሰብ ድማ ስኢነ። 19ነእዱግና ዝኸውን ሓሰርን ጥረን፡ ንኣይን ነዛ ገረድካን ነዚ ምስ ገላዉኻ ዘሎ ጊልያን እንጌራን ወይንን ኣሎና፡ ዝጐድለና ነገር የልቦን፡ በሎ። 20እቲ ኣረጊት ሰብኣይ ድማ፡ ሰላም ይሃሉኻ፡ ሓንትስ ኣብዚ ኣደባባይ ደኣ ኣይትሕደር እምበር፡ ዝጐደለካ ዘበለ ኻባይ ድለዮ፡ በሎ። 21ናብ ቤቱ ኣእትዩ ኸኣ፡ ነተን ኣእዱግ ዝብላዕ ሃበን፡ ኣእጋሮም ተሓጺቦም ከኣ በልዑን ሰተዩን። 22ንሳቶም ልቦም ምስ ተሓጐሰ፡ እንሆ፡ ሰባት እታ ኸተማ፡ ደቂ ብልያል፡ ነታ ቤት ኣኽቢቦም፡ ነቲ ማዕጾ ገርማዕማዕ ኣበልዎ፡ ነቲ ኣረጊት ሰብኣይ በዓል ቤት ድማ፡ ነዚ ኣብ ቤትካ ኣትዩ ዘሎ ሰብኣይ ክንፈልጦስ፡ ኣውጽኣዮ፡ ኢሎም ተዛረብዎ። 23እቲ ሰብኣይ በዓል ቤት ናባታቶም ወጺኡ ኣሕዋተይ ኣይፋልኩም፡ በጃኹም ክፉእ ኣይትግበሩ፡ እዚ ሰብኣይ እዚ ኣብ ቤተይ ካብ ኣተወስ፡ እዚ ነውሪ እዚ ኣይትግበሩ። 24እንሆ፡ ድንግል ጓለይን ሰበይቲ ወሰኑን፡ ንኣታተን ከውጽኣልኩም፡ ከም እተራእየኩም ጌርኩም ኣሕስርወን፡ ኣብዚ ሰብኣይ እዚ ግና ከምዚ ዝበለ ነውሪ ነገር ኣይትግበሩ፡ በሎም። 25እቶም ሰባት ግና ክሰምዕዎ ኣይፈተዉን። ሽዑ እቲ ሰብኣይ ነታ ሰበይቲ ወሰኑ ሒዙ ናብኦም ኣብ ግዳም ኣውጽኣ። ንሳቶም ከኣ ፈለጥዋ፡ ምልእቲ ለይቲ ኽሳዕ ዝወግሕ ድማ ዓመጽዋ። ቀይሐጸሊም ክቐድድ ከሎ፡ ትኺድ ሓደግዋ። 26ክወግሕ ምስ ጀመረ፡ እታ ሰበይቲ ናብ ደገ እታ ጐይታኣ ዘለዋ ቤት መጺኣ፡ ክሳዕ ዝበርህ ኣብኡ ወዲቓ ነበረት። 27እቲ ጐይታኣ ብጊሓት ተንሲኡ ማዕጾ እታ ቤት ከፈተ፡ መገዱ ክኸይድ ድማ ወጸ። እንሃ፡ እታ ሰበይቲ፡ ሰበይቲ ወሰኑ፡ ኣብ ደገ እታ ቤት ወዲቓ፡ ኣእዳዋ ኸኣ ኣብ ልዳት ዘርጊሓ ነበረት። 28ንሱ ድማ፡ ተንስኢ ንኺድ፡ በላ። ግናኸ ኣይመለሰትሉን። ሽዑ እቲ ሰብኣይ ኣብ ኣድጉ ጽዒንዋ ተላዒሉ ናብ ቦታኡ ኸደ። 29ኣብ ቤቱ ምስ ኣተወ፡ ካራ ወሲዱ ነታ ሰበይቲ ወሰኑ ሒዙ በብብልዕቲ ኣብ ዓሰርተው ክልተ ቑራጽ ቈራረጻ እሞ ናብ ብዘላ ምድሪ እስራኤል ሰደዳ። 30ኰነ ድማ፡ እዚ ዝረኣየ ዅሉ፡ ደቂ እስራኤል ካብ ምድሪ ግብጺ ኻብ ዝወጹ መዓልቲ ኸሳዕ ሎሚ ኸምዚ ዝመሰለ ዀይኑን ተራእዩን ኣይፈልጥን። ሕሰብዎን ተማኻኸሩሉን ተዛራረቡሉን፡ በለ።
መ. መሳፍንቲ ምዕራፍ 20
1ሽዑ ዅሎም ደቂ እስራኤል ወጹ፡ እቲ ኣኼባ ድማ ካብ ዳን ክሳዕ ብኤር-ሸባዕን ምድሪ ጊልዓድን ከም ሓደ ሰብኣይ ኰይኑ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ሚጽጳ ተኣከበ። 2ሓላቑ ዅሉ ህዝብን ኵሎም ነገዳት እስራኤልን ኣርባዕተ ሚእቲ ሽሕ ሴፍ ዝመልሕ ኣጋር ኣብቲ ማሕበር ህዝቢ ኣምላኽ ቀረቡ። 3እቶም ደቂ ብንያም ድማ ደቂ እስራኤል ንሚጽጳ ኸም ዝደየቡ ሰምዑ። ደቂ እስራኤል ድማ፡ እዚ ኽፉእ ነገር እዚ ኸመይ ከም ዝዀነ ንገሩና፡ በሉ። 4ሽዑ እቲ ሌዋዊ ሰብኣይ፡ ሰብኣይ እታ እተቐትለት ሰበይቲ፡ ኣነ ምስታ ሰበይቲ ወሰነይ ኣብ ጊብዓ ናይ ብንያም ክሓድር ኣቶኹ። 5እቶም ሰብ ጊቦዓ ድማ ተላዕሉኒ፡ ኣብታ ዘሎኽዋ ቤት ብለይቲ ኸበቡኒ፡ ክቐትሉኒ ኸኣ ሓሰቡ፡ ነታ ሰበይቲ ወሰነይውን ዓመጽዋ እሞ ሞተት። 6ኣነ ኸኣ፡ ኣብ እስራኤል ርኽሰትን ዕብዳንን ስለ ዝገበሩ፡ ነታ ሰበይቲ ወሰነይ ወሲደ ቘራረጽክዋ እሞ ናብ ብዘላ ምድሪ ርስቲ እስራኤል ሰደድክዋ። 7ኣቱም ደቂ እስራኤል፡ ኵላትኩም እኔኹም፡ ኣብዚ ተዛራረቡን ምኸሩን፡ ኢሉ መለሰሎም። 8ኵሉ እቲ ህዝቢ ኸኣ ከም ሓደ ሰብኣይ ኰይኑ ተንሲኡ ኸምዚ በለ፡ ካባና ሓደ እኳ ናብ ድንኳኑ ኣይኺድ፡ ሓደ እኳ ናብ ቤቱ ኣይመለስ። 9ሕጂ ግና ንጊብዓ እንገብራ ነገር እዚ እዩ፡ ዕጭ ኣውዲቕና ንደይባ። 10ናብ ጊብዓ ብንያም ከይዶም ከኣ፡ ከምቲ ኣብ እስራኤል ዝገበረቶ ዕብዳን ክገብርዋስ፡ ነቲ ህዝቢ ስንቂ ዝወስዱ ካብ ኵሎም ነገድ እስራኤል፡ ካብ ሚእትስ ዓሰርተ፡ ካብ ሽሕ ከኣ ሚእቲ፡ ካብ ዓሰርተ ሽሕውን ሽሕ ሰብኣይ ንውሰድ። 11ኵሎም ሰብ እስራኤል ድማ ከም ሓደ ሰብ ከይኖም ኣብታ ኸተማ ተኣከቡ። 12እቶም ነገዳት እስራኤል ድማ ናብ ብዘሎ ነገድ ብንያም፡ እዚ ኣባኻትኩም ዝዀነ ኽፉእ ነገር እንታይ እዩ፧ 13ሕጂ ኸኣ ነቲ ኽፉእ ካብ እስራኤል ከነርሕቖስ፡ ነቶም ኣብ ጊብዓ ዘለዉ ደቂ ብልያል ክንቀትሎም ሃቡና፡ ኢሎም ሰባት ለኣኹ። እቶም ደቂ ብንያም ግና ቃል ኣሕዋቶም ደቂ እስራኤል ክሰምዑ ኣይፈተዉን። 14እቶም ደቂ ብንያም ድማ ካብ ከተማታት ናብ ጊብዓ ተኣከቡ እሞ ምስ ደቂ እስራኤል ክዋግኡ ወጹ። 15በታ መዓልቲ እቲኣ ኻብ ከተማታት ዝወጹ ደቂ ብንያም፡ ብጃካ እቶም ኣብ ጊብዓ ዝነብሩ፡ ሾብዓተ ሚእቲ እተቘጽሩ ሕሩያት ሰብ፡ ዕስራን ሹድሽተን ሽሕ ሴፍ ዝመልሑ ሰብ ተቘጽሩ። 16ካብ ኵሉ እዚ ህዝቢ እዚ፡ ብጸጋማይ ኢዶም ወንጪፎም ንሓንቲ ጸጒሪ ዘይስሕቱ፡ ሾብዓተ ሚእቲ ሕሩያት ሰብ ነበሩ። 17ሰብኡት እስራኤል ድማ፡ ብጀካ ብንያም፡ ኣርባዕተ ሚእቲ ሽሕ ሴፍ ዝመልሑ ሰብ ተቘጽሩ። እዚኣቶም ኵሎም ተዋጋእቲ ሰባት ነበሩ። 18ደቂ እስራኤል ድማ ተንሲኦም ናብ ቤት-ኤል ደዪቦም፡ ምስ ደቂ ብንያም ንምውጋእ ካባናስ መን ቅድም ይድይበልና ኢሎም ንኣምላኽ፧ ሓተትዎ። እግዚኣብሄር ከኣ፡ ይሁዳ ይቐድም፡ በለ። 19እቶም ደቂ እስራኤል ድማ ንጽብሒቱ ንግሆ ተንሲኦም ደየቡ እሞ ኣብ መንጽር ጊብዓ ሰፈሩ። 20ሰብ እስራኤል ከኣ ምስ ብንያም ክዋግኡ ወጹ፡ እቶም ሰብ እስራኤል ድማ ክዋግእዎም ኣብ ጥቓ ጊብዓ ተሰለፉ። 21ደቂ ብንያም ከኣ ካብ ጊብዓ ወጺኦም፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ኻብ እስራኣኤል ዕስራን ክልተን ሽሕ ሰብኣይ ቀቲሎም ኣብ ምድሪ ኣውደቕዎም። 22እቶም ህዝቢ፡ ሰብ እስራኤል፡ ድማ በርቲዖም ኣብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ተሰሊፎምላ ዝነበሩ ቦታ መሊሶም ተሰለፉ። 23ደቂ እስራኤል ከኣ ደዪቦም፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክሳዕ ምሸት ብኽይ ወዓሉ። ንእግዚኣብሄር ድማ፡ መሊሰዶ ምስ ደቂ ሓወይ ብንያም ውግእ ክገጥም ኢሉ ሓተተ። እግዚኣብሄር ከኣ፡ ደይብዎ፡ በለ። 24እቶም ደቂ እስራኤል በታ ኻልኣይቲ መዓልቲ ድማ ናብ ደቂ ብንያም ቀረቡ። 25ብንያም ከኣ ካልኣይቲ መዓልቲ ኽቃባበሎም ካብ ጊብዓ ወጸ እሞ መሊሶም ካብ ደቂ እስራኤል ዓሰርተው ሾሞንተ ሽሕ ሰብኣይ ቀቲሎም ኣብ ምድሪ ኣውደቕዎም። እዚኣቶም ኵሎም ሴፍ ዝመልሑ ነበሩ። 26ሽዑ ዅሎም ደቂ እስራኤልን ኵሉ ህዝብን ናብ ቤት-ኤል ደዪቦም በኸዩ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ተቐሚጦም ክሳዕ ምሸት ጾሙ። ዝሓርር መስዋእትን መስዋእቲ ምስጋናን ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣቕረቡ። 27በታ ግዜ እቲኣ ታቦት ኪዳን ኣምላኽ ኣብኡ ነበረ እሞ፡ ደቂ እስራኤል ንእግዚኣብሄር ሓተትዎ። 28ፊንሃስ፡ ወዲ ኣልኣዛር ወዲ ኣሮን፡ ከኣ በታ ግዜ እቲኣ ኣብ ቅድሚኡ ይቐውም ነበረ እሞ፡ መሊሰዶ ኸም ብሓድሽ ምስ ደቂ ሓወይ ብንያም ክዋጋእ ክወጽእ ወይስ ክሓድጎ፧ በለ። እግዚኣብሄር ድማ፡ ጽባሕሲ ኣብ ኢድካ ኽህበካ እየ እሞ፡ ደይቡ ደኣ፡ በለ። 29እስራኤል ከኣ ንጊብዓ ብዙርያኣ ድብቕ ኣንበረላ። 30በታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ድማ ደቂ እስራኤል ናብ ደቂ ብንያም ደየቡ፡ ከምተን ቀዳሞት ግዝያት ኣብ ቅድሚ ጊብዓ ተሰለፉ። 31እቶም ደቂ ብንያም ድማ ወጺኦም ነቲ ህዝቢ ኽቃባበልዎ ኻብታ ኸተማ ተሳሕቡ፡ ኣብተን ክልተ መገዲ፡ ሓንቲ ንቤት-ኤል ኣቢላ እትድይብ፡ ሓንቲ ድማ ንመሮር ጊብዓ እተብል፡ ከምተን ቀዳሞት ግዝያት ካብቲ ህብዚ፡ ካብ ደቂ እስራኤል፡ ሰላሳ ዝዀኑ ሰባት ክወቕዑን ክቐትሉን ጀመሩ። 32እቶም ደቂ ብንያም ድማ፡ ከምቲ መጀመርታ ኣብ ቅድሜና ተሳዕሩ፡ በሉ። ደቂ እስራኤል ግና፡ ካብ ከተማ ናብ መገድታት ክንስሕቦምሲ ንህደም ደኣ፡ በሉ። 33ኵሎም ሰብ እስራኣኤል ከኣ ካብ ቦታኦም ተንሲኦም፡ ኣብ በዓል-ታማር ተሰለፉ። እቲ ድብቕ እስራኤል ድማ ካብታ ቦታኡ፡ ካብ መዓረህ-ጊብዓ ወጸ። 34ካብ ብዘሎ እስራኤል እተሓርዩ ዓሰርተ ሽሕ ሰብ ናብ መንጽር ጊብዓ መጹ፡ እቲ ውግእ ከኣ በርትዐ፡ ደቂ ብንያም ግና ክፉእ ከም ዝበጽሖም ኣይፈለጡን። 35እግዚኣብሄር ድማ ንብንያም ኣብ ቅድሚ እስራኤል ከም ዝሰዓር ገበሮ። ደቂ እስራኤል ከኣ በታ መዓልቲ እቲኣ ኻብ ብንያም ዕስራን ሓሙሽተን ሽሕን ሚእትን ሰብኣይ ቐተሉ። እዚኣቶም ኵሎም ሴፍ ዝመልሑ ነበሩ፡ 36ደቂ እስራኤል ከኣ በቲ ኣብ ጊብዓ ዘንበርዎ ድብቕ ስለ እተኣመኑ ንደቂ ብንያም ቦታ ሃብዎም እሞ፡ እቶም ደቂ ብንያም ከም እተሳዕሩ ረኣዩ። 37እቶም ድቡቓት ድማ ቀልጢፎም ናብ ጊብዓ ጐየዩ እሞ እቶም ድቡቓት ጥሒሶም ንብዘላ እታ ኸተማ ብስሕለት ሲፍ ወቕዕዋ። 38ንሰብ እስራኤል ካብታ ኸተማ ብርቱዕ ትኪ ኸም ዝለዓል ክገብሩ ምስቶም እተደበቑ ምልክት ነበሮም። 39እቶም ሰብ እስራኤል ድማ በቲ ውግእ ገጾም መለሱ፡ ብንያም ከኣ፡ ብርግጽ ከምቲ ቐዳማይ ውግእ ኣብ ቅድሜና ተሳዒሮም፡ በሉ እሞ፡ ካብ ሰብ እስራኤል ሰላሳ ዝዀኑ ሰባት ክወቕዑን ክቐትሉን ጀመሩ። 40እቲ ምልክት፡ እቲ ዓንዲ ትኪ፡ ካብታ ኸተማ ኽዓርግ ምስ ጀመረ፡ ብንያም ንድሕሪኡ ግልጽ እንተ በለ፡ እንሆ፡ ብዘላ እታ ኸተማ ብሃልሃልታ ንሰማይ ዓረገት። 41ሽዑ እቶም ሰብ እስራኤል ተመልሱ፡ ሰብ ብንያም ከኣ ክፉእ ከም ዝበጽሖም ረኣዩ እሞ ተሸበሩ። 42ስለዚ ኣብ ቅድሚ ሰብ እስርኤል ብመገዲ በረኻ ኣቢሎም ሃደሙ፡ እቲ ዅናት ግና እግረ እግሮም ሰዓቦም። እቶም ካብ ከተማታት ዝወጹ ድማ ኣማእኪሎም ቀተልዎም። 43ንብንያም ከቢቦም፡ ብወገን ምብራቕ ጸሓይ ክሳዕ መንጽር ጊብዓ ሰጐጒዎ፡ ኣብ ዝዓርፈላ ዘበለ ረጋገጽዎ። 44ካብ ብንያም ድማ ዓሰርተው ሾሞንተ ሽሕ ሰብ ወደቑ። እዚኣቶም ኵሎም ከኣ ጀጋኑ ሰባት ነበሩ። 45ተመሊሶም ድማ ንበረኻ ኣቢሎም ናብ ከውሒ ሪሞን ሃደሙ። እስራኤላውያን ግና ኣብ መገድታት ሓሙሽተ ሽሕ ሰብኣይ ቀረሙ። ክሳዕ ጊድዖም ስዒቦምውን ክልተ ሽሕ ሰብኣይ ቀተሉ። 46እቶም በታ መዓልቲ እቲኣ ኻብ ብንያም ዝወደቑ ዅሎም፡ ሴፍ ዝመልሑ ዕስራን ሓሙሽተን ሽሕ ኰኑ፡ እዚኣቶም ኵሎም ጀጋኑ ሰባት ነበሩ። 47ሹድሽተ ሚእቲ ሰብኣይ ግና ንበረኻ ኣቢሎም ናብ ከውሒ ሪሞን ሃደሙ፡ ኣብ ከውሒ ሪሞን ከኣ ኣርባዕተ ወርሒ ተቐመጡ። 48እቶም ሰብ እስራኤል ድማ ናብ ደቂ ብንያም ተመሊሶም፡ ንብዘላ እታ ኸተማን ንማል ንዝረኸብዎ ዅሉን ብስሕለት ሴፍ ቀተሉ። ንዝረኸብወን ኵለን ከተማታት ከኣ ብሓዊ ኣንደድወን።
መ. መሳፍንቲ ምዕራፍ 21
1እቶም ሰብ እስራኤል ከኣ ኣብ ሚጽጳ፡ ካባና ሓደ እኳ ጓሉ ንብንያማዊ ኣየመርዕዋ፡ ኢሎም ምሒሎም ነበሩ። 2እቶም ህዝቢ ድማ ናብ ቤት-ኤል መጹ፡ ኣብኣ ኸኣ ክሳዕ ምሸት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተቐመጡ፡ ድምጾም ዓው ኣቢሎም ድማ ብርቱዕ ብኽያት በኸዩ፡ 3ኣታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፡ ሎሚ ኻብ እስራኤል ሓደ ነገድ ክጐድልሲ፡ እዚ ስለምንታይ እዩ ኣብ እስራኤል ዝዀነ፧ ድማ በሉ። 4ኰነ ኸኣ፡ እቶም ህዝቢ ንጽብሒቱ ኣንጊሆም ተንስኡ፡ ኣብኡ መሰውኢ ነዲቖም ድማ ዝሓርር መስዋእትን መስዋእቲ ምስጋናን ኣዕረጉ። 5ደቂ እስራኤል ድማ፡ ናብ እግዚኣብሄር ናብ ሚጽጳ ዘይድይብ ሞት ይሙት፡ ኢሎም ጽኑዕ ማሕላ ምሒሎም ነበሩ እሞ፡ ካብ ኵሎም ነገድ እስራኤል ናብ ማሕበር፡ ናብ እግዚኣብሄር ዘይደየበ መን እዩ፧ በሉ። 6ደቂ እስራኤል ከኣ ብሓዎም ብንያም ተጣዒሶም፡ ሎሚ ኻብ እስራኤል ሓደ ነገድ ተቘሪጹ። 7ንሕና ኻብ ኣዋልድና ኣንስቲ ኸይንህቦም ብእግዚኣብሄር ምሒልና ኢና እሞ፡ እዞም ተሪፎም ዘለዉ ኣንስቲ ኽረኽቡስ፡ እንታይ ንግበረሎም፧ በሉ። 8ካብ ነገዳት እስራኤል ናብ እግዚኣብሄር ናብ ሚጽጳ ዘይደየበ መን እዩ፧ በሉ። እንሆ ኸኣ፡ ካብ ያቤሽ-ጊልዓድ ናብ ሰፈር፡ ናብታ ማሕበር ሓደ እኳ ኣይመጸን። 9እቲ ህዝቢ ተቘጽረ እሞ እንሆ፡ ካብቶም ኣብ ያቤሽ-ጊልዓድ ዝነብሩስ፡ ሓደ እኳ ኣብኡ ኣይነበረን። 10ሽዑ እቲ ኣኼባ ዓሰርተው ክልተ ሽሕ ካብ ጀጋኑ ሰባት ናብኣ ሰዲዶም፡ ኬድኩም ነቶም ኣብ ያቤሽ-ጊልዓድ ዝነብሩ ምስናይ ኣንስትን ሕጻናትን ብስሕለት ሴፍ ቅተልዎም። 11እትገብርዎ ነገር ከኣ እዚ እዩ፡ ንዅሉ ተባዕታይን ኵለን ምስ ተባዕታይ ደቂሰን ንዝፈልጣ ኣንስተን ቅተሉ፡ ኢሎም ድማ ኣዘዝዎም። 12ካብቶም ኣብ ያቤሽ-ጊልዓድ ዝነብሩ፡ ኣርባዕተ ሚእቲ፡ ምስ ተባዕታይ ብምድቃሰን ሰብኣይ ዘይፈልጣ ደናግል ኣዋልድ ረኸቡ። ንሳቶም ከኣ ንኣታተን ናብ ሰፈር፡ ናብታ ኣብ ምድሪ ኸነኣን ዘላ ሺሎ ኣምጽእወን። 13ኵሉ እቲ ኣኼባ ድማ ናብቶም ኣብ ከውሒ ሪሞን ዘለዉ ደቂ ብንያም ልኢኾም ናይ ሰላም ኣዋጅ ነገርዎም። 14በታ ግዜ እቲኣ ብንያም ተመልሰ። እተን ካብ ኣንስቲ ያቤሽ-ጊልዓድ ብህይወት ዝሓደግወን ኣንስቲ ኸኣ ሃብዎም፡ ግናኸ ኣይኣኸላኦምን። 15እቶም ህዝቢ ድማ፡ እግዚኣብሄር ኣብ ነገዳት እስራኤል ነቓዕ ስለ ዝገበረ፡ ብብንያም ተጣዕሱ። 16እቶም ዓበይቲ እቲ ኣኼባ ኸኣ፡ ኣንስቲ ኻብ ብንያም ጸኒተን እየ እሞ፡ እዞም ተሪፎም ዘለዉ ኣንስቲ ኽረኽቡስ፡ እንታይ ንግበር፧ በሉ። 17ካብ እስራኤል ሓደ ነገድ ከይድምሰስሲ፡ እዞም ካብ ብንያም ድሒኖም ዘለዉ፡ እቲ ርስቶም ይሓዙ። 18ደቂ እስራኤል፡ እቲ ንብንያም ሰበይቲ ዝህብ ርጉም ይኹን፡ ኢሎም ምሒሎም እዮም እሞ፡ ንሕናስ ካብ ኣዋልድና ኣንስቲ ኽንህቦም ኣይንኽእልን፡ ድማ በሉ። 19ኣብታ ንቤት-ኤል ብሰሜና፡ ነታ ኻብ ቤት-ኤል ንሴኬም እተደይብ መገዲ ብምብራቕ፡ ንለቦናውን ብደቡባ ዘላ ሺሎ፡ እንሆ፡ በዓል እግዚኣብሄር ኣብ ዓዓመት ይግበር ኣሎ፡ ድማ በሉ። 20ንደቂ ብንያም ከኣ ኸምዚ ኢሎም ኣዘዝዎም፡ ኬድኩም ኣብ ኣታኽልቲ ወይንታት ተደበቑ። 21እንሆ ኸኣ፡ እተን ኣዋልድ ሺሎ እናሳዕሳዓ ኽወጻ ምስ ርኤኹም፡ ካብቲ ኣታኽልቲ ወይንታት ወጺእኩም፡ ካብተን ኣዋልድ ሺሎ ነፍሲ ወከፍኩም ሰበይቱ ይዘርፍ፡ ናብ ምድሪ ብንያም ከኣ ኺዱ። 22ክኸውን ድማ እዩ፡ ኣቦታተን ወይ ኣሕዋተን ኣባና ክጠርዑ እንተ መጹ፡ ኣብቲ ውግእ ንነፍሲ ወከፍ ሰበይቱ ኣይወሰድናሉን እሞ፡ ብለውሃት ንኣታተን ሃቡና፡ ሕጂ ድማ በደልቲ ኸይትኾኑ ንኣታተን ንስኻትኩም ኣይሃብኩምዎምን፡ ንብሎም። 23እቶም ደቂ ብንያም ከምኡ ገበሩ፡ ካብተን ዝስዕስዓ ዝነበራ ዘሪፎም፡ ከምቲ ቑጽሮም ኣንስቲ ወሰዱ። ከዱ እሞ ናብ ርስቶም ተመልሱ፡ ከተማታት ሰሪሖም ድማ ኣባታተን ተቐመጡ። 24ደቂ እስራኤል ከኣ በታ ግዜ እቲኣ ኻብኡ ነፍሲ ወከፍ ናብ ነገዱን ናብ ዓሌቱን ከደ፡ ነፍሲ ወከፍ ካብኡ ነናብ ርስቱ ወጸ። 25በቲ ዘበን እቲ ኣብ እስራኤል ንጉስ ኣይነበረን እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ እቲ ቕኑዕ ኰይኑ እተራእዮ ይገብር ነበረ።