መጽሓፍ እያሱ

1  2  3  4  5  6  7  8  9  
10  11  12  13  14  15
16  17  18  19  20  21
22  23  24




        መ. እያሱ ምዕራፍ 1     

   1ኰነ ኸኣ፡ ድሕሪ ሞት ሙሴ ባርያ እግዚኣብሄር፡ እግዚኣብሄር ንእያሱ ወዲ ነዌ ኣገልጋሊ ሙሴ፡ ከምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ 2ሙሴ ባርያይ ሞተ፡ ሕጂ ድማ ተንስእ፡ ንስኻን ብዘሎ እዚ ህዝቢ እዝን ናብታ ኣነ ንኣታቶም፡ ንደቂ እስራኤል፡ ዝህቦም ምድሪ ነዚ ዮርዳኖስ ተሳገሮ። 3ከምቲ ንሙሴ እተዛረብክዎ፡ ከብዲ እግርኹም ዝረገጸታ ዘበለት ቦታ ንኣኻትኩም ሂበኩም ኣሎኹ። 4ዶብኩም ካብ በረኻን ካብዚ ሊባኖስን ክሳዕ እቲ ዓብዪ ርባ፡ ርባ ኤፍራጥስ፡ ብዘላ ምድሪ ሔታውያንን ክሳዕ እቲ ኣብ ምዕራብ ጸሓይ ዘሎ ዓብዪ ባሕርን ክኸውን እዩ። 5ምሉእ ዕድሜኻ ዝቃወመካ ሰብ የልቦን። ምስ ሙሴ ኸም ዝነበርኩ፡ ምሳኻ ድማ ክኸውን እየ። ኣይሓድገካን ኣይጥንጥነካንውን። 6እታ ነቦታቶም ክህቦም ዝመሓልኩሎም ምድሪ፡ ንስኻ ነዚ ህዝቢ እዚ ኸተረስትዮም ኢኻ እሞ፡ ጽናዕ፡ ትባዕ። 7ከምቲ ሙሴ ባርያይ ዝኣዘዘካ ዅሉ ሕጊ ንምግባሩ ኽትሕልዎ ጥራይ ደኣ፡ ጽናዕን ኣዚኻ ትባዕን። ናብ እትኸዶ ዅሉ ምእንቲ ክቐንዓካስ፡ ካብኡ ንየማን ኰነ ንጸጋም ኣይተግልስ። 8ነቲ ኣብኡ እተጻሕፈ ምእንቲ ተጠንቂቕካ ኽትገብሮስ፡ መዓልትን ለይትን ኣስተንትኖ እምበር፡ እዚ መጽሓፍ ሕጊ እዚ ኻብ ኣፍካ ኣይትፍለ። ሽዑ መገድኻ ተቕንዕ እሞ፡ ሽዑ ድማ ክሰልጠካ እዩ። 9ጽናዕ፡ ትባዕ፡ ኢለዶ ኣይኣዘዝኩኻን፧ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ ኣብ እትኸዶ ዅሉ ምሳኻ እዩ እሞ፡ ኣይትፍራህ ኣይትሸበር ከኣ። 
   10ሽዑ እያሱ ነቶም መኳንንቲ ህዝቢ ኸምዚ ኢሉ ኣዘዞም፡ 11ብማእከል ሰፈር ሕለፉ፡ ነቲ ህዝቢ ድማ፡ ነታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፡ ምእንቲ ክትወርስዋ ንርስቲ ዝህበኩም ምድሪ ኽትኣትውዋስ፡ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ነዚ ዮርዳኖስ እዚ ኽትሳገሩ ኢኹም እሞ፡ ስንቅኹም ኣዳልዉ፡ ኢልኩም ኣዝዙ። 
   12እያሱ ድማ ንደቂ ሮቤልን ንደቂ ጋድን ንፈረቓ ነገድ ምናሴን ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም፡ 13እቲ ሙሴ ባርያ እግዚኣብሄር ከምዚ ኢሉ ዝኣዘዘኩም ቃል ዘክሩ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከዕርፈኩም እዛ ምድሪ እዚኣ ኸኣ ክህበኩም እዩ። 14-15ኣንስትኹምን ሕጻናትኩምን ከብትኹምን ኣብታ ሙሴ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ዝሃበኩም ምድሪ ይንበሩ። ንስኻትኩም ግና እግዚኣብሄር ከምቲ ንኣኻትኩም፡ ነሕዋትኩም ድማ ክሳዕ ዘዕርፎም፡ ንሳቶም ከኣ እታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝህቦም ምድሪ ኽሳዕ ዝወርሱ፡ ሓያላት ጀጋኑ ዘበልኩም ኵላትኩም ኣጽዋር ሒዝኩም፡ ነሕዋትኩም ክትድግፉ ቐቅድሚኦም ሕለፉ። ድሕርቲ ናብታ ሙሴ ባርያ እግዚኣብሄር፡ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ብሸነኽ ምብራቕ ጸሓይ ዝሃበኩም ምድሪ ርስትኹም፡ ክትወርስዋ ኽትምለሱ ኢኹም። 16ንእያሱ ድማ ከምዚ ኢሎም መለሱሉ፡ ዝኣዘዝካና ዅሉ ንገብር፡ ናብ ዝለኣኽካና ዘበለውን ንኸይድ። 17ከምቲ ንሙሴ ብዅሉ እተኣዘዝናዮ፡ ንኣኻ ኸኣ ክንእዘዘካ ኢና። ሓንትስ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ደኣ ከምቲ ምስ ሙሴ ዝነበረ፡ ምሳኻ ድማ ይኹን። 18ዝዀነ ሰብ ንቓልካ ዝኣብን ንዅሉ እትእዝዘና ዘረባኻ ዘይሰምዕን ይሙት። ሓንትስ ጽናዕ፡ ትባዕ ደኣ።

        መ. እያሱ  ምዕራፍ 2           

   1እያሱ ወዲ ነዌ ድማ ካብ ሽጢም ንኽልተ ሰብ፡ ኬድኩም ነታ ሃገርን ንያሪኮን ርኣዩ፡ ኢሉ ኽስልዩ ብሕቡእ ሰዶም። ንሳቶም ድማ ከይዶም፡ ኣብ ቤት ረሃብ ዝስማ ኣመንዝራ ሰበይቲ ኣተዉ፡ ኣብኣውን ሓደሩ። 2ንንጉስ ያሪኮ ኸኣ፡ እንሆ፡ ሰባት ካብ ደቂ እስራኤል ነዛ ሃገር ክስልይዋ፡ ብለይቲ ናብዚ ኣትዮም ኣለዉ፡ ኢሎም ነገርዎ። 3ንጉስ ያሪኮ ድማ፡ እዞም ናባኺ መጺኦም፡ ናብ ቤትኪ ዝኣተዉ ሰባት ንዅላ ሃገር ክስልዩ ዝመጹ እዮም እሞ፡ ኣውጽእዮም፡ ኢሉ ናብ ረሃብ ለኣኸ። 4እታ ሰበይቲ ኸኣ ነቶም ክልተ ሰብ ወሲዳ ሓብኣቶም፡ በለት ድማ፡ እወ፡ ሰባትሲ ኣትዮምኒ ነይሮም፡ ካበይ ምዃኖም ግና ኣይፈለጥኩን። 5ኰነ ኸኣ፡ እቶም ሰባት እቲኦም ደገ እትዕጸወላ ግዜ ብጸልማት ወጹ፡ ናበይ ከም ዝኸዱ ኣይፈለጥኩን። ቀልጢፍኩም ደድሕሪኦም ስዓቡ እሞ ክትረኽብዎም ኢኹም። 6ንሳ ግና ናብ ናሕሲ ቤታ ኣደይባ፡ ኣብቲ ናሕሲ ተሰጢሑ ብዝነበረ ሓሰር እንጣጢዕ ሓብኣቶም። 7እቶም ሰባት ከኣ መገዲ ዮርዳኖስ ክሳዕ እቲ መሳገሪታት ደድሕሪኦም ሰዓቡ። እቶም ደድሕሪኦም ዝስዕቡ ምስ ወጹ ኸኣ፡ እቲ ደገ ተሸጐረ። 8ንሳቶም ገና ኸይደቀሱ፡ እታ ሰበይቲ ናብኦም ናብ ናሕሲ ደየበት። 9ነቶም ሰባት ከኣ በለቶም፡ እግዚኣብሄር እዛ ሃገር እዚኣ ኸም ዝሃበኩም ፍርሃትኩም ድማ ኣብ ልዕሌና ኸም ዝወደቐ፡ ዅሎም ኣብዛ ሃገር ዝነብሩ ኸኣ ኣብ ቅድሜኹም ከም ዝመከኹ ፈለጥኩ። 10እቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ ኽትወጹ ኸሎኹም፡ እግዚኣብሄር ንባሕሪ ኤርትራ ኣብ ቅድሜኹም ከምዘንቀጾ፡ ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ኣብ ዝነበሩ ኽልቲኦም ነገስታት ኣሞራውያን ከኣ ዝገበርኩምዎ፡ ንሲሆንን ንዖግን ከም ዘጥፋእኩምዎም፡ ሰሚዕና ኢና እሞ፡ 11እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፡ ንሱ ኣብ ሰማይ ኣብ ላዕሊ፡ ኣብ ምድሪ ኸኣ ኣብ ታሕቲ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ምስ ሰማዕናዮ፡ ልብና መኸከ፡ ኣብ ቅድሜኹም ድማ ትንፋስ ኣብ ሰብ ኣይቈመትን። 12-13ሕጂ ኸኣ በጃኹም፡ ኣነ ምሕረት ካብ ገበርኩልኩም፡ ንስኻትኩም ድማ ንቤት ኣቦይ ምሕረት ክትገብሩላ፡ ነቦይን ነደይን ነሕዋተይን ንኣሓተይን፡ ዘለዎም ኵሉ ድማ ብህይወቶም ክትሓድግዎም፡ ነፍሳትናውን ካብ ሞት ከተድሕኑ፡ ብእግዚኣብሄር ምሓሉለይ፡ ርግጽ ምልክት ከኣ ሃቡኒ። 14እቶም ሰባት ከኣ፡ እንገብሮ ዘሎና እንተ ዘይገለጽኩም፡ ኣብ ክንዳኹም ነፍስና ንሞት ነሕልፍ። ክኸውን ድማ እዩ፡ እግዚኣብሄር እዛ ምድሪ እዚኣ ምስ ሃበና፡ ምሕረትን እምነትን ንገብረልኪ፡ በልዋ። 15ቤታ ኣብ ልዕሊ መንደቕ መካበብያ ነበረት፡ ንሳ ድማ ኣብ ልዕሊ መካበብያ ትነብር ነበረት እሞ፡ ገመድ ገይራ ብመስኰት ኣውረደቶም። 16እቶም ደለይቲ ኸይረኽቡኹምሲ፡ ንኸረን ኣቢልኩም ኪዱ፡ እቶም ደለይቲ ኽሳዕ ዝምለሱ ኸኣ ኣብኡ ሰለስተ መዓልቲ ተሓብኡ፡ ድሓር ድማ መገድኹም ኪዱ፡ በለቶም። 17እቶም ሰባት ከኣ በልዋ፡ ንሕና ኻብዚ ዘምሓልክና ማሕላ ንነጽህ፡ 18እንሆ፡ ንሕና ናብዛ ሃገር ክንኣቱ ከሎና፡ ነዚ ቐይሕ ገመድ እዚ ኣብቲ ብእኡ ዘውረክና መስኰት ኣንጠልጥልዮ። ነቦኽን ነዴኽን ነሕዋትክን ንዅሉ ቤት ኣቦኺውን ናባኺ ኣብ ቤት ኣክብዮም። 19ክኸውን ድማ እዩ፡ ካብ ማዕጾ ቤትኪ ንግዳም ዝወጸ ዘበለ፡ ደሙ ኣብ ርእሱ እዩ፡ ንሕና ግና ንጹሃት ኢና። ንዝዀነ ኻብቶም ምሳኺ ኣብ ቤት ዘለዉ ኢድ እንተ ተንከዮ ኸኣ፡ ደሙ ኣብ ርእስና ይኹን። 20ተግባርና እንተ ገለጽኪ ድማ፡ ካብዚ ዘምሓልክና ማሕላ ንጹሃት ኢና። 21ንሳ ኸኣ፡ ከምቲ ዝበልኩምዎ ይኹን፡ ኢላ ሰደደቶም። ንሳቶምውን ከዱ። ነቲ ቐይሕ ገመድ ድማ ኣብቲ መስኰት ኣሰረቶ። 22ንሳቶም ከኣ ከዱ እሞ ናብቲ ኸረን በጽሑ፡ እቶም ደለይቲ ኽሳዕ ዝምለሱ ኸኣ፡ ኣብኡ ሰለስተ መዓልቲ ገበሩ። እቶም ደለይቲ ድማ ኣብ ኵሉ መገዲ ደለይዎም፡ ኣይረኸብዎምን ከኣ። 23እቶም ክልተ ሰባት ድማ ተመሊሶም፡ ካብቲ ኸረን ወረዱ፡ ተሳጊሮም ከኣ ናብ እያሱ ወዲ ነዌ መጹ። ዝረኸቦም ዘበለ ዅሉ ኸኣ ኣዛረብዎ። 24ንእያሱ ድማ፡ እግዚኣብሄር ንብሃገራ ኣብ ኢድና ሂቡና እዩ እሞ፡ እቶም ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ዅሎም ኣብ ቅድሜና መኸኹ፡ በልዎ።

        መ. እያሱ  ምዕራፍ 3            

   1ንጽብሒቱ ኸኣ እያሱ ኣንጊሁ ተንስአ፡ ንሱን ኵሎም ደቂ እስራኤልን ካብ ሽጢም ነቐሉ፡ ናብ ዮርዳኖስ ድማ መጹ፡ ገና ኸይተሳገሩ ኸኣ ኣብኡ ሓደሩ። 2ኰነ ኸኣ፡ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ እቶም መኳንንቲ ብማእከል ሰፈር ሓለፉ፡ 3-4ነቶም ህዝቢ ድማ ከምዚ ኢሎም ኣዘዝዎም፡ እዛ መገዲ እዚኣ ቕድሚ እዚ ኣይሓለፍኩምዋን ኢኹም እሞ፡ እታ እትኸድዋ መገዲ ምእንቲ ኽትፈልጥዋ፡ እቶም ካህናት ሌዋውያን ነቲ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ጾይሮምዎ ምስ ርኤኹም፡ ንስኻትኩም ድማ ካብ ሰፈርኩም ነቒልኩም ስዓብዎ፡ ኣብ መንጎኹምን ኣብ መንጎኡን ግና ክልተ ሽሕ እመት ስፍሪ ዝኣክል ዝምርሓቑ ይኹን እምበር፡ ኣይትቕረብዎ። 5እያሱ ነቶም ህዝቢ፡ እግዚኣብሄር ጽባሕ ኣብ ማእከልኩም ዘገርም ነገር ክገብር እዩ እሞ፡ ተቐደሱ፡ በሎም። 6እያሱ ኸኣ ነቶም ካህናት፡ ታቦት ኪዳን ተሰኪምኩም ቀቅድሚ ህዝቢ ሕለፉ፡ ኢሉ ተዛረቦም። ሽዑ ታቦት ኪዳን ተሰኪሞም ቀቅድሚ ህዝቢ ኸዱ። 7እግዚኣብሄር ድማ ንእያሱ በሎ፡ ከምቲ ምስ ሙሴ ዝነበርኩ ምሳኻውን ከም ዘሎኹ ምእንቲ ኽፈልጡስ፡ ሎሚ ኣብ ቅድሚ ዅሉ እስራኤል ከዕብየካ ኽጅምር እየ። 8ነቶም ታቦት ኪዳን ዝጾሩ ኻህናት ከኣ ንስኻ፡ ናብቲ ገምገም ማይ ዮርዳኖስ ምስ መጻእኩም ኣብ ዮርዳኖስ ደው በሉ፡ ኢልካ ኣዝዞም።
   9እያሱ ኸኣ ንደቂ እስራኤል፡ ናብዚ ቕረቡ እሞ፡ ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ስምዑ፡ በሎም። 10እያሱ ድማ በለ፡ ህያው ኣምላኽ ኣብ ማእከልኩም ከም ዘሎ፡ ንሱ ኸኣ ንኸነኣናውያንን ንሔታውያንን ንሃዋውያንን ንፈሬዛውያንን ንጌርጌሳውያንን ንኣሞራውያንን ንይቡሳውያንን ካብ ቅድሜኹም ፈጺሙ ኸም ዝሰጎም በዚ ኽትፈልጡ ኢኹም፡ 11እንሆ፡ እቲ ናይ ጐይታ ዅላ ምድሪ ታቦት ኪዳን ቀቅድሜኹም ናብ ዮርዳኖስ ይሓልፍ። 12ሕጂ ድማ ካብ ነገዳት እስራኤል ዓሰርተው ክልተ ሰብኣይ፡ ከካብ ነገድ ሓደ ሰብኣይ፡ ንኣኻትኩም ውሰዱ። 13ክኸውን ድማ እዩ፡ እቶም ታቦት እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ዅላ ምድሪ፡ ዝጾሩ ኻህናት ከብዲ ኣእጋሮም ኣብ ማይ ዮርዳኖስ ደው ምስ በላ፡ ሽዑ እቲ ማይ ዮርዳኖስ፡ እቲ ኻብ ላዕሊ ዝወርድ ማይ የቋርጽ፡ ሓደ ኹምራ ዀይኑ ደው ይብል። 14ኰነ ድማ፡ እቶም ህዝቢ ንዮርዳኖስ ክሳገሩ ኻብ ድንኳውንቶም ምስ ወጹ፡ እቶም ካህናት ቀቅድሚ ህዝቢ ታቦት ኪዳን ይጾሩ ነበሩ፡ 15እቶም ታቦት ዝጾሩ ናብ ዮርዳኖስ ምስ በጽሑ፡ ኣእጋር እቶም ታቦት ኪዳን ዝጾሩ ካህናት ገምገም ማይ ዮርዳኖስ ምስ ጠምዓ ብዅሉ እቲ ግዜ ዓጺድ ዮርዳኖስ ኣፍ ንኣፍ መሊኡ ነበረ 16እቲ ኻብ ላዕሊ ዝወርድ ዝነበረ ማይ ኣብ ኣዝዩ ርሑቕ ደው በለ እሞ ኣብታ ኣብ ጥቓ ጻርታ ዘላ፡ ኣዳም እትብሃል ከተማ ሓደ ዅምራ ዀይኑ ቘመ። እቲ ናብ ባሕሪ ጐልጓል፡ ናብ ባሕሪ ጨው ኣቢሉ ዝወርድ ማይ ከኣ ፈጺሙ ኣቋረጸ። እቲ ህዝቢ ድማ ኣብ መንጽር ያሪኮ ተሳገረ። 17እቶም ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ዝጾሩ ኻህናት ከኣ ኣብቲ ማእከል ዮርዳኖስ፡ ኣብቲ ንቑጽ ቀጥ ኢሎም ደው ኢሎም ነበሩ። ብዘሎ እቲ ህዝቢ ፈጺሙ ንዮርዳኖስ ክሳዕ ዝሳገሮ፡ ኵሉ እስራኤል በቲ ንቑጽ ሓለፈ።

        መ. እያሱ  ምዕራፍ 4            

   1ኰነ ኸኣ፡ ብዘሎ እቲ ህዝቢ ንዮርዳኖስ ፈጺሙ ምስ ተሳገረ፡ እግዚኣብሄር ንእያሱ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ 2ካብ ህዝቢ ዓሰርተው ክልተ ሰብኣይ፡ ከካብ ነገድ ሓደ ሰብኣይ ንኣኻትኩም ውሰዱ፡ 3ካብዚ ኻብ ማእከል ዮርዳኖስ፡ ካብታ ኣእጋር ካህናት ቀጥ ኢለን ዝቘማላ ቦታ፡ ንኣኻትኩም ዓሰርተው ክልተ እምኒ ኣልዒልኩም ምሳኻትኩም ናብ ማዕዶ ተማልእዎ። ኣብቲ በዛ ለይቲ እዚኣ እትሓድሩሉ መሕደሪ ኣንብርዎ፡ ኢልኩም ከኣ ኣዝዝዎም። 4ሽዑ እያሱ ነቶም ካብ ደቂ እስራኤል፡ ከካብ ነገድ ሓደ ሰብኣይ፡ ዓሰተው ክልተ ሰብኣይ ኣዳልዩዎም ዝነበረ ጸውዖም። 5እያሱ ድማ በሎም፡ ቀቅድሚ ታቦት እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ናብ ማእከል ዮርዳኖስ ሕለፉ፡ ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ፡ ብቑጽሪ ነገድ ደቂ እስራኤል፡ ሓሓንቲ እምኒ ኣብ መመንኩብኩምን ኣልዕሉ። 6እዚ ኣብ ማእከልኩም ንምልክት ክኸውን እዩ፡ ደቕኹም ብዝመጽእ ግዜ፡ እዚ ኣእማን እዚ ንምንታይ እዩ፧ ኢሎም ምስ ዝጥይቑኹም፡ 7ሽዑ ንስኻትኩም፡ ማይ ዮርዳኖስ ኣብ ቅድሚ ታቦት እግዚኣብሄር ስለ ዘቋረጸ፡ ብዮርዳኖስ ክሳገር ከሎ እቲ ማይ ዮርዳኖስ ኣቋረጸ፡ እሞ እዚ ኣእማን እዚ ንደቂ እስራኤል ንዘለኣለም ንመዘከርታ እዩ፡ ትብልዎም። 8ደቂ እስራኤል ከኣ ከምቲ እያሱ ዝኣዘዞም ከምኡ ገበሩ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ንእያሱ ዝበሎ ድማ፡ ብቑጽሪ ነገዳት ደቂ እስራኤል ካብ ማእከል ዮርዳኖስ ዓሰርተው ክልተ እምኒ ኣልዓሉ፡ ናብቲ ዝሓድሩሉ ድማ ምስኦም ተማልእዎ፡ ኣብኡ ኸኣ ኣንበርዎ። 9እያሱ ድማ ኣብ ማእከል ዮርዳኖስ፡ ኣብታ ኣእጋር እቶም ታቦት ኪዳን ዝጾሩ ኻህናት ዝቘማላ ቦታ ዓሰርተው ክልተ እምኒ ኣቘመ። ክሳዕ ሎሚ ኸኣ ኣብኣ ኣሎ። 
   10እቲ እግዚኣብሄር ንእያሱ ንህዝቢ ኽነግር ዝኣዘዞ ዅሉ ነገር፡ ከምቲ ሙሴ ንእያሱ ዝኣዘዞ ዅሉ ኽሳዕ ዝፍጸም፡ እቶም ታቦት ዝጾሩ ኻህናት ኣብ ማእከል ዮርዳኖስ ደው በሉ። እቶም ህዝቢ ኸኣ ቀልጢፎም ተሳገሩ። 11ኰነ ድማ፡ ኵሉ እቲ ህዝቢ ጠሪሱ ምስ ተሳገረ፡ እቲ ታቦት እግዚኣብሄር ከኣ ምስቶም ካህናት ኣብ ቅድሚ እቲ ህዝቢ ተሳገረ። 
   12ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን ፈረቓ ነገድ ምናሴን ድማ፡ ከምቲ ሙሴ ዝበሎም፡ ኣጽዋር ሒዞም ቀቅድሚ ደቂ እስራኤል ተሳገሩ። 13ኣስታት ኣርብዓ ሽሕ ኣጽዋር ሒዞም ንውግእ ተዳልዮም፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ጐልጐል ያሪኮ ኽዋግኡ ተሳገሩ፡ 14በታ መዓልቲ እቲኣ እግዚኣብሄር ንእያሱ ኣብ ቅድሚ ዅሉ እስራኤል ኣዕበዮ። ከምቲ ንሙሴ ብዅሉ መዓልትታት ህይወቱ ዝፈርህዎ ዝነበሩ፡ ንእኡ ኸኣ ፈርህዎ።
   15-16እግዚኣብሄር ድማ ንእያሱ፡ ነቶም ታቦት ምስክር ዝጾሩ ኻህናት ካብ ዮርዳኖስ ክድይቡ ኣዝዞም፡ ኢሉ ተዛረቦ። 17እያሱ ድማ ነቶም ኻህናት፡ ካብ ዮርዳኖስ ደይቡ፡ ኢሉ ኣዘዞም። 18ኰነ ኸኣ፡ እቶም ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ዝጾሩ ኻህናት ካብ ማእከል ዮርዳኖስ ደይቦም፡ ከብዲ ኣእጋሮም ናብቲ ንቑጽ ምስ ረገጸ፡ ማይ ዮርዳኖስ ናብ ስፍራኡ ተመሊሱ፡ ከም ቀደሙ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ገምገሙ ወሓዘ። 
   19እቶም ህዝቢ ድማ ካብታ ቐዳመይቲ ወርሒ ብዓስረይቲ መዓልቲ ኻብ ዮርዳኖስ ደየቡ፡ ብወሰን ምብራቓ ንያሪኮ፡ ኣብ ጊልጋል ከኣ ሰፈሩ። 20እያሱ ድማ ነቲ ኻብ ዮርዳኖስ ዝወሰድዎ ዓሰርተው ክልተ እምኒ፡ ኣብ ጊልጋል ኣቘሞ። 21-24ንደቂ እስራኤል ድማ ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም፡ ደቅኹም ጽባሕ፡ እዚ ኣእማን እዚ እንታይ እዩ፧ ኢሎም ነቦታቶም እንተ ጠየቑ፡ እስራኤል ነዚ ዮርዳኖስ እዚ ብንቑጽ ተሳገሮ። እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፡ ከምቲ ንባሕሪ ኤርትራ ዝገበሮ፡ ክሳዕ እንሳገር ዘንቀጾ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ክሳዕ እትሳገሩ ንማይ ዮርዳኖስ ኣብ ቅድሜኹም ኣንቀጾ። ኵሎም ህዝብታት ምድሪ ኢድ እግዚኣብሄር ሓያል ምዃና ምእንቲ ኽፈልጡ፡ ንስኻትኩምውን ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ወርትግ ምእንቲ ክትፈርህዎ እዩ፡ ኢልኩም ንደቅኹም ኣፍልጥዎም።

        መ. እያሱ  ምዕራፍ 5            

   1ኰነ ኸኣ፡ ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ብወገን ምዕራብ ዝነበሩ ዅሎም ነገስታት ኣሞራውያንን እቶም ኣብ ጥቓ ባሕሪ ዝነበሩ ነገስታት ከነኣናውያንን፡ እግዚኣብሄር፡ ነቲ ማይ ዮርዳኖስ ክሳዕ እንሳገሮ፡ ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ከም ዘንቀጾ ምስ ሰምዑ፡ ልቦም መኸኸ፡ ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ድማ ትንፋስ ኣይተረፈቶምን። 2በታ ግዜ እቲኣ እግዚኣብሄር ንእያሱ፡ በሊሕ ጽልጽለ ጌርካ፡ ከም ብሓድሽ ንደቂ እስራኤል ካልኣይ ሳዕ ግዘሮም፡ በሎ። 3እያሱ ድማ በሊሕ ጽልጽለ ኣንጺሉ፡ ንደቂ እስራኤል ኣብ ኵርባ ዓራሎት ገዘሮም። 4እቲ እያሱ ዝገዘሮም ምኽንያቱ እዚ እዩ፡ እቲ ኻብ ግብጺ ዝወጸ ህዝቢ፡ ተባዕትዮ ዘበሉ ዅሎም ተዋጋእቲ ኻብ ግብጺ ወጺኦምሲ፡ ኣብ በረኻ ኣብ መገዲ ሞቱ። 5እቶም ዝወጹ ህዝብስ ኵሎም ግዙራት ነይሮም፡ እቶም ካብ ግብጺ ምስ ወጹ፡ ኣብ በረኻ ኣብ መገዲ እተወልዱ ዅሎም ህዝቢ ግና ኣይተገዝሩን ነበሩ። 6ደቂ እስራኤል፡ ኵሉ እቲ ህዝቢ፡ እቶም ካብ ግብጺ ዝወጹ ተዋጋእቲ ሰብኡት፡ ንቓል እግዚኣብሄር ስለ ዘይሰምዕዎ፡ ክሳዕ ዝውድኡ፡ ኣርብዓ ዓመት ኣብ በረኻ ተጓዕዙ። እግዚኣብሄር ድማ እታ ንኣና ኽህበና ነቦታቶም ዝመሓለሎም ምድሪ፡ ጸባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ፡ ከየርእዮም መሓለ። 7ነቶም ኣብ ክንዳኦም ዘተንስኦም ደቆም ከኣ፡ ኣብ መገዲ ስለ ዘይተገዝሩ፡ ዕልቦታት ነበሩ እሞ፡ እያሱ ገዘሮም። 8ኰነ ኸኣ፡ ንብዘሎ ህዝቢ ገዚሮም ምስ ፈጸሙ፡ ክሳዕ ዝሓውዩ፡ ኣብቲ ሰፊሮምዎ ዝነበሩ ሰፈር ተቐመጡ። 9እግዚኣብሄር ድማ ንእያሱ፡ ሎሚ ነቲ ናይ ግብጺ ነውሪ ኻባካትኩም ኣንካራሮኽዎ፡ በሎ። ስም እታ ቦታ ኸኣ ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ጊልጋል ይብሃል ኣሎ። 
   10ደቂ እስራኤል ድማ ኣብ ጊልጋል ሰፈሩ፡ ካብታ ወርሒ ኸኣ ኣብ መበል ዓሰርተው ኣርባዕተ መዓልቲ ኣጋ ምሸት ኣብ ጐልጐል ያሪኮ ፋስጋ ገበሩ። 11ጽባሕ ፋስጋ ድማ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ካብ እኽሊ እታ ምድሪ፡ ቅጫን ቆሎ ስርናይን በልዑ። 12እኽሊ እታ ምድሪ ምስ በልዑ፡ ንጽብሒቱ እቲ ማና ኣቋረጸ፡ ደቂ እስራኤል በታ ዓመት እቲኣ ኻብ እቶት ምድሪ ኸነኣን በልዑ እምበር፡ ድሕሪኡስ ማና ኣይነበሮምን። 
   13ኰነ ኸኣ፡ እያሱ ኣብ ጥቓ ያሪኮ ኸሎ፡ ኣዒንቱ ቛሕ ኣቢሉ ረኣየ፡ እንሆ ድማ፡ እተመልሐ ሴፍ ኣብ ኢዱ ዘለዎ ሰብኣይ ኣብ መንጽሩ ደው ኢሉ ነበረ። እያሱ ኸኣ ናብኡ ኸይዱ፡ ንስኻ ናትናዶ ወይ ናይ ጸላእትና ኢኻ፧ በሎ። 14ንሱ ድማ፡ ኣይፋለይ፡ ኣነስ ሓለቓ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኰይነ ደኣ፡ ሕጂ መጺአ ኣሎኹ፡ በለ። እያሱ ኸኣ ብገጹ ኣብ ምድሪ ተደፊኡ ሰጊዱ፡ ጐይታይ ንባርያኡ ዝብሎ እንታይ እዩ፧ በለ። 15እቲ ሓለቓ ሰራዊት እግዚኣብሄር ድማ ንእያሱ፡ እዛ ደው ኢልካያ ዘሎኻ ቦታ ቅድስቲ እያ እሞ፡ ኣሳእንካ ኻብ ኣእጋርካ ኣውጽእ፡ በሎ። እያሱ ከኣ ከምኡ ገበረ።

        መ. እያሱ  ምዕራፍ 6            

   1ያሪኮ ድማ ብምኽንያት ደቂ እስራኤል ተዓጽያን ተሸጒራን ነበረት። ዝወጽእ ኰነ፡ ዝኣቱ ዀነ ኣይነበረን። 2እግዚኣብሄር ድማ ንእያሱ በሎ፡ ርኤ፡ ያሪኮን ንጉሳን እቶም ሓያላት ጀጋኑኣን ኣብ ኢድካ ሂበካ ኣሎኹ። 3ኵልኹም ተዋጋእቲ ሰባት ነታ ኸተማ ኸቢብኩም ሓንሳእ ዙርዋ። ሹድሽተ መዓልቲ ከምኡ ግበሩ። 4ሾብዓተ ኻህናት ከኣ ቀቅድሚ ታቦት ኰይኖም ሾብዓተ መለኸት እልልታ ይውሰዱ። በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ድማ ነታ ኸተማ ሾብዓተ ሳዕ ዙርዋ፡ እቶም ካህናት ድማ መለኸት ይንፍሑ። 5ክኸውን ድማ እዩ፡ እቲ መለኸት እልልታ ኣንዊሖም ምስ ነፍሑ፡ እቲ ደሃይ መለኸት ድማ ምስ ሰማዕኩም፡ ኵሉ ህዝቢ ዓው ኢሉ ይጨድር። መካበብያ እታ ኽተማ ከኣ ናብ ትሕቲኡ ኣቢሉ ኽወድቕ እዩ። እቲ ህዝቢ ድማ ነፍሲ ወከፍ በብቕድሚኡ ኽድይብ እዩ። 6ሽዑ እያሱ ወዲ ነዌ ነቶም ካህናት ጸዊዑ፡ ታቦት ኪዳን ውሰዱ፡ ሾብዓተ ኻህናት ከኣ ቀቅድሚ ታቦት እግዚኣብሄር ሾብዓተ መለኸት እልልታ ይውሰዱ፡ በሎም። 7ነቶም ህዝቢ ድም፡ ሕለፉ እሞ ነታ ኸተማ ዙርዋ፡ ሰልፈኛ ዘበለ ኸኣ ቀቅድሚ ታቦት እግዚኣብሄር ይሕለፍ፡ በሎም። 8ኰነ ኸኣ እያሱ ነቶም ህዝቢ ምስ ተዛረቦም፡ እቶም ሾብዓተ ኻህናት ድማ ሾብዓተ መለኸት እልልታ ሒዞም ነቲ መለኸት እናነፍሑ ቐቅድሚ እግዚኣብሄር ሓለፉ። እቲ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ከኣ ደድሕሪኦም ይኸይድ ነበረ፡። 9እቲ እተሰለፈ ዘበለ ድማ ቀቅድሚ እቶም መለኸት ዝነፍሑ ኻህናትይኸይድ ነበረ፡ እቶም ካህናት መለኸት እናነፍሑ ክኸዱ ኸለዉ ኸኣ፡ እቶም ዝተረፉ ህዝቢ ደድሕሪ ታቦት ይስዕቡ ነበሩ። 10እያሱ ድማ ነቶም ህዝቢ፡ ጫውጫው ኣይትበሉ፡ ድምጽኹም ከኣ ኣይተስምዑ፡ ገለ ቓል ድማ ካብ ኣፍኩም ኣይውጻእ፡ ክሳዕ እታ ኣነ፡ ኣውክዑ፡ ዝብለኩም መዓልቲ፡ ሽዑ ኣውክዑ፡ ኢሉ ኣዘዞም። 11ነቲ ታቦት እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ዙርያ እታ ኸተማ ሓንሳእ ኣዞሮ፡ ናብ ሰፈር ኣትዮም ከኣ ኣብቲ ሰፈር ሓደሩ። 
   12ንጽብሒቱ ድማ እያሱ ኣንጊሁ ተንስአ፡ እቶም ካህናት ከኣ ንታቦት እግዚኣብሄር ጾርዎ። 13እቶም ሾብዓተ ኻህናትውን ሾብዓተ መለኸት እልልታ ሒዞም፡ ቀቅድሚ ታቦት እግዚኣብሄር እናኸዱ፡ መለኸት ይነፍሑ ነበሩ። ሰልፈኛ ዘበለ ኸኣ ቀቅድሚኦም ከደ። እቶም ካህናት መለኸት እናነፍሑ ክኸዱ ኸለዉ ድማ፡ እቲ ዝተረፈ ህዝቢ ደድሕሪ ታቦት እግዚኣብሄር ይስዕብ ነበረ። 14በታ ኻልኣይቲ መዓልቲ ድማ ነታ ኸተማ ሓንሳእ ዞይሮም፡ ናብ ሰፈር ተመልሱ። ሹድሽተ መዓልቲ ኸምኡ ገበሩ። 
   15ኰነ ኸኣ፡ በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ኣንጊሆም ብወጋሕታ ተንሲኦም፡ ነታ ኸተማ ኸምኡ ገይሮም፡ ሾብዓተ ሳዕ ዞርዋ። በታ መዓልቲ እቲኣ ጥራይ ነታ ኸተማ ሾብዓተ ሳዕ ዞርዋ። 16ኰነ ኸኣ፡ እቶም ካህናት በቲ ሳብዓይ ሳዕ መለኸት ምስ ነፍሑ፡ እያሱ ነቶም ህዝቢ በሎም፡ እግዚኣብሄር ነዛ ኸተማ እዚኣ ሂቡኩም እዩ እሞ፡ ኣውክዑ። 17እዛ ኸተማ፡ ንሳን ኣብኣ ዘሎ ዅሉን ንእግዚኣብሄር ሕርሚ ትኹን። ረሃብ ኣመንዝራ ጥራይ ነቶም ዝሰደድናዮም ልኡኻት ስለ ዝሓብኣቶም፡ ንሳን ኣብ ቤት ምስኣ ዘለዉ ዅሎምን ብህይወት ይትረፉ። 18ሓንትስ ንስኻትኩም ከኣ ምስ ሓረምኩምዎ፡ ካብቲ እተሓርመ ኸይትወስዱ እሞ ንሰፈር እስራኤል ርጉም ከይትገብርዎ፡ መከራውን ከይተምጽኡሉስ፡ ካብቲ እተሓርመ ነገር ተጠንቀቑ። 19ብዘሎ ብሩርን ወርቅን ኣቕሓ ኣስራዝን ሓጺንን ንሱ ንእግዚኣብሄር እተቐደሰ ይኹን እሞ ናብ መዝገብ እግዚኣብሄር ይእቶ። 20ሽዑ እቶም ህዝቢ ኣውክዑ፡ ካህናትውን መለኸት ነፍሑ። ኰነ ኸኣ፡ እቶም ህዝቢ ደሃይ መለኸት ምስ ሰምዑ፡ ዓው ኢሎም ኣውክዑ። ሽዑ እቲ መንደቕ ናብ ትሕቲኡ ኣቢሉ ወደቐ። እቲ ህዝቢውን፡ ነፍሲ ወከፍ በብቕድሚኡ ደይቡ ናብታ ኸተማ ኣተወ፡ ነታ ከተማ ድማ ሓዝዋ። 21ኣብታ ኸተማ ዝነበረ ዘበለ ኸኣ ኣጥፍእዎ። ካብ ሰብኣይ ክሳዕ ሰበይቲ፡ ካብ ቈልዓ ክሳዕ ኣረጊት፡ ክሳዕ ብዕራይን በጊዕን ኣድግን ብስሕለት ሴፍ ኣጥፍእዎም። 
   22እያሱ ድማ ነቶም ነታ ሃገር ዝሰለዩ ኽልተ ሰብኣይ፡ ናብ ቤት እታ ኣመንዝራ ሰበይቲ እተዉ እሞ፡ ከምቲ ዝመሓልኩምላ፡ ነታ ሰበይትን ምስኣ ዘሎ ዅሉን ካብኣ ኣውጽኡ፡ በሎም። 23እቲም ኣጕባዝ፡ እቶም ሰለይቲ፡ ኣትዮም ንረሃብን ንቦኣን ነዲኣን ነሕዋታን ዘለዋ ዅሉን ኣውጽኡ፡ ንብዘሎ ዓሌታ ድማ ኣውጽኡ። ኣብ ወጻኢ ሰፈር እስራኤል ኣቐመጥዎም። 24ነታ ኸተማን ኣብኣ ንዝነበረ ዅሉን ብሓዊ ኣንደዱ። ብሩርን ወርቅን ኣቓሑ ኣስራዝን ሓጺንን ጥራይ ናብ መዝገብ ቤት እግዚኣብሄር ገበሩ። 25ረሃብ፡ እታ ኣመንዝራ፡ ነቶም ንያሪኮ ኽስልዩ እያሱ ዝሰደዶም ልኡኻት ስለ ዝሓብኣቶም፡ እያሱ ንእኣን ንቤት ኣቦኣን ንዅሉ ዘለዋን ብህይወት ሓደገ። ክሳዕ ሎሚ ኸኣ ኣብ ማእከል እስራኤል ትነብር ኣላ፡ 
   26በታ ግዜ እቲኣ እያሱ ኸምዚ ኢሉ መሓለ፡ ነዛ ኸተማ ያሪኮ ኽሰርሓ ኢሉ ዝልዓል፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ርጉም ይኹን። ብበዅሪ ወዱ ይሰርታ፡ ደጌታታ ድማ በቲ ዝነኣሰ ወዱ የቑም። 
   27እግዚኣብሄር ምስ እያሱ ምስ ነበረ እሞ፡ ወሪኡ ናብ ብዘላ እታ ሃገር በጽሐ።

        መ. እያሱ  ምዕራፍ 7            

   1ደቂ እስራኤል ግና ኣብቲ ሕሩም ነገር ኣበሳ ኣበሱ። ካብ ነገድ ይሁዳ ኣካን፡ ወዲ ካርሚ ወዲ ዛብዲ ወዲ ዜራሕ፡ ካብቲ እተሓርመ ወሰደ እሞ፡ ኵራ እግዚኣብሄር ኣብ እስራኤል ነደደ። 
   2እያሱ ድማ ካብ ያሪኮ ናብታ ብምብራቕ ቤትኤል ኣብ ጥቓ ቤትኣዌን ዘላ ዓይ ሰባት ሰደደ፡ ደይብኩም ነታ ሃገር ሰልይዋ፡ ኢሉ ተዛረቦም። እቶም ሰባት ከኣ ደይቦም ንዓይ ሰለይዋ። 3ናብ እያሱ ተመሊሶም ድማ፡ ኵሉ ህዝቢ ኣይደይብ፡ ሒደት እዮም እሞ፡ ንብዘሎ ህዝቢ ናብኣ ኣይተድክሞ፡ ክልተ ወይ ሰለስተ ሽሕ ዝኣክል ሰብ ደኣ ይደይብ፡ ንዓይ ከኣ ይውቅዕዋ፡ በልዎ። 4ካብቲ ህዝቢ ድማ ሰለስተ ሽሕ ዝኣክል ሰብ ናብኡ ደየበ። ግናኸ ካብ ቅድሚ እቶም ሰብ ዓይ ሃደሙ። 5እቶም ሰብ ዓይ ካብኦም ኣስታት ሰላሳን ሹድሽተን ሰብ ቀተሉ፡ ካብ ደገ ኽሳዕ ሰባሪም ሰጐጕዎም፡ ኣብቲ ቝልቍለት ድማ ወቕዕዎም። ሽዑ ልቢ እቲ ህዝቢ መኸኸ፡ ከም ማይ ከኣ ዀነ። 6እያሱን እቶም ዓበይቲ እስራኤልን ድማ ክዳውንቶም ቀዲዶም ኣብ ኣራእሶም ድማ ሓመድ ነስኒሶም፡ ኣብ ቅድሚ ታቦት እግዚኣብሄር ክሳዕ ምሸት ብገጾም ናብ ምድሪ ተደፍኡ። 7እያሱ ድማ በለ፡ ኣየ ጐይታይ እግዚኣብሄር ኣብ ኢድ ኣሞራውያን ሂብካ ኸተጥፍኣናስ፡ ስለምንታይ ደኣ ነዚ ህዝቢ ንዮርዳኖስ ዘሳገርካዮ፧ እየ፡ ኣብ ስግር ዮርዳኖስ እንተ ንቕመጥ፡ ግዳ ምፈቶና። 8ወይለይ ጐይታይ፡ እስራኤል ዝባኑ ናብ ገጽ ጸላእቱ ኻብ መለሰ፡ እንታይ ክብል እየ፧ 9ከነኣናውያንን ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ዅሎምን፡ ክሰምዑ እዮም እሞ ክኸቡና፡ ስምና ድማ ካብ ምድሪ ኸጽንቱ እዮም። ነቲ ዓብዪ ስምካ ደኣ እንታይ ክትገብር ኢኻ፧ 10እግዚኣብሄር ድማ ንእያሱ በሎ፡ ተንስእ፡ ስለምንታይ ከምዚ ብገጽካ ትድፋእ፧ 11እስራኤል ሓጢኣት ገበረ፡ እቲ ዝኣዘዝክዎም ኪዳነይ ከኣ ኣፍረሱ፡ ካብቲ ሕሩም ወሰዱ ሰረቑ ኸኣ፡ ሓሰዉ ድማ፡ ኣብ ማእከል ኣቕሓኦምውን ኣንበርዎ። 12ስለዚ ደቂ እስራኤል ተሓሪሞም እዮም እሞ፡ ዝባኖም ናብ ገጽ ጸላእቶም ይመልሱ እምበር፡ ኣብ ቅድሚ ጸላእቶም ክቘሙ ኣይክእሉን። ነቲ ሕርሚ ኻብ ማእከልኩም እንተ ዘየጥፋእኩም። ኣነ ደጊም ምሳኻትኩም ኣይከውንን እየ፡ 13ተንስእ እሞ፡ ነቶም ህዝቢ ቀድሶም፡ በሎምውን፡ ንጽባሕ ተቐደሱ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል ኣሎ እሞ፡ ኣታ እስራኤል፡ ሕርሚ ኣብ ማእከልካ ኣሎ፡ ነቲ ሕርሚ ኻብ ማእከልኩም ክሳዕ እተርሕቕዎ፡ ኣብ ቅድሚ ጸላእትኻ ኽትቀውም ኣይትኽእልን። 14ጽባሕ በብነገድኩም ቅረቡ። ክኸውን ድማ እዩ፡ እቲ እግዚኣብሄር ዝወስዶ ነገድ በብዓሌቱ ይቕረብ። እቲ እግዚኣብሄር ዝወስዶ ዓሌት ድማ፡ በብማይ ቤቱ ይቕረብ። እቲ እግዚኣብሄር ዝወስዶ ማይ ቤት ከኣ፡ በብሰብኣይ ይቕረብ። 15ክኸውን ድማ እዩ፡ እቲ ሕርሚ እተረኽቦ፡ ኪዳን እግዚኣብሄር ኣፍሪሱ ኣብ እስራኤል ከኣ ነውሪ ገይሩ እዩ እሞ፡ ንሱን ዘለዎ ዅሉን ብሓዊ ይንደድ። 
   16እያሱ ከኣ ንጽብሒቱ ኣንጊሁ ተንስአ፡ ንእስራኤል ድማ በብነገዱ ኣቕረቦ እሞ ነገድ ይሁዳ ተወስደ። 17ንዓሌታት ይሁዳ ኸኣ ኣቕረቦም እሞ ዓሌት ዜራሓውያን ወሰደ። ንዓሌት ዜራሓውያን ድማ በብሰብኣይ ኣቕረቦም እሞ ዛብዲ ተወስደ። 18ንማይ ቤቱ ኸኣ በብሰብኣይ ኣቕረቦም እሞ ኣካን፡ ወዲ ካርሚ ወዲ ዛብዲ ወዲ ዜራሕ፡ ካብ ነገድ ይሁዳ ተወስደ፡ 19እይሱ ድማ ንኣካን፡ ወደይ፡ በጃካ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ኣኽብሮ ተናዘዘሉውን፡ እንታይ ከም ዝገበርካ ንገረኒ፡ ኣይትሕብኣለይ፡ በሎ። 20ኣካን ድማ ንእያሱ መሊሱ በሎ፡ ሓቂ እዩ፡ ኣነ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል በዲለዮ እየ፡ ከምዝን ከምዝን ገበርኩ፡ 21ኣብቲ እተዘምተ ሓደ ጽቡቕ ባርኖስ ሰንኣርን ክልተ ሚእቲ ሲቃል ብሩርን ሓምሳ ሲቃል ዝሚዛኑ ልሳን ወርቅን ምስ ርኤኹ፡ ሽዑ ተመኔክዎ እሞ ወሰድክዎ፡ እንሆ ኸኣ፡ ኣብ ማእከል ድንኳነይ ኣብ ምድሪ፡ እቲ ብሩር ድማ ብትሕቲኡ፡ ተሓቢኡ ኣሎ። 22ሽዑ እያሱ ልኡኻት ሰደደ፡ ናብቲ ድንኳን ከኣ ጐየዩ፡ እንሆ ድማ፡ ኣብ ድንኳኑ ተሓቢኡ፡ እቲ ብሩርውን ብትሕቲኡ ነበረ። 23ካብ ማእከል እቲ ድንኳን ወሲዶም፡ ናብ እያሱን ናብ ኵሎም ደቂ እስራኤልን ኣምጺኦም ድማ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣንበርዎ። 24ሽዑ እያሱ፡ ኵሉ እስራኤል ከኣ ምስኡ፡ ንኣካን ወዲ ዜራሕን ነቲ ብሩርን ባርኖስን ወርቅን ነወዳቱን ኣዋልዱን ኣብዑሩን ኣእዱጉን ኣባጊዑን ድንኳኑን ዘለዎ ዅሉን ወሲዶም፡ ናብ ጋግ ዓኰር ኣደየብዎ። 25እያሱ ድማ፡ ስለምንታይ ኣሸገርካና፧ በለ። ኵሉ እስራኤል ድማ ብዳርባ እምኒ ቐተሎ፡ ብዳርባ እምኒ ቐቲሎም ከኣ ብሓዊ ኣንደድዎም። 26ኣብ ልዕሊኡ ድማ እቲ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ዘሎ ዓብዪ ጨርሒ እምኒ ጨርሑሉ። እግዚኣብሄር ድማ ካብ ረስኒ ዅራኡ ተመልሰ። ስለዚ ኸኣ ስም እታ ቦታ ኽሳዕ ሎሚ ጋግ ዓኰር ይበሃል ኣሎ።

        መ. እያሱ  ምዕራፍ 8            

   1እግዚኣብሄር ድማ ንእያሱ፡ ኣይትፍራህ፡ ኣይትሸበር። ተዋጋኢ ዘበለ ህዝቢ ውሰድ፡ ተንስእ እሞ ናብ ዓይ ደይብ። ርኤ፡ ኣነ ንንጉስ ዓይን ንህዝቡን ከተማኡን ሃገሩን ኣብ ኢድካ ሂበካ ኣሎኹ። 2ከምቲ ንያሪኮን ንንጉሳን ዝገበርካዮ፡ ንዓይን ንንጉሳን ድማ ክትገብር ኢኻ፡ ጥራይ ምርኮኣን ከብታን ንኣኻትኩም ማርኹ። ብድሕሪ እታ ኸተማ ድብቕ ግበር፡ በሎ። 
   3እያሱ ኸኣ ምስ ኵሉ እቲ ተዋጋኢ ህዝቢ ናብ ዓይ ክድይብ ተንስአ። እያሱ ድማ ሰላሳ ሽሕ ሓያላት ጀጋኑ ሰባት ሓርዩ ብለይቲ ሰዶዶም። 4ከምዚ ኢሉ ኸኣ ኣዘዞም፡ ርኣዩ፡ ነታ ኸተማ፡ ብድሕሪ እታ ኸተማ፡ ደብቑላ፡ ካብታ ኸተማ ኣዚኹም ኣይትርሓቑ። ኵልኹም ከኣ እተዳሎኹም ኩኑ። 5ኣነን እቲ ምሳይ ዘሎ ዅሉ ህዝብን ድማ፡ ናብታ ኸተማ ኽንቀርብ ኢና። ክኸውን ድማ እዩ፡ ከምቲ ናይ ቀዳማይ ክቐባበሉና ምስ ወጹ፡ ካብ ቅድሚኦም ክንሃድም ኢና። 6ሽዑ፡ ከምቲ ቐዳማይ ካብ ቅድሜና ይሃድሙ ኣለዉ፡ ክብሉ እዮም እሞ፡ ወጺኦም ክስዕቡናስ፡ ካብታ ኸተማ ኽሳዕ እንስሕቦም፡ ካብ ቅድሚኦም ክንሃድም ኢና። 7እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንእኣ ኣብ ኢድኩም ክህበኩም እዩ እሞ፡ ንስኻትኩም፡ ድማ ካብቲ እተደበቕኩምሉ ተንሲእኩም፡ ነታ ኸተማ ሓዝዋ። 8ክኸውን ድማ እዩ፡ ነታ ኸተማ ምስ ሓዝኩምዋ፡ ብሓዊ ተኵስዋ። ከምቲ ቓል እግዚኣብሄር ግበሩ፡ እንሆ፡ ኣዚዘኩም ኣሎኹ። 9እያሱ ድማ ሰደዶም፡ ናብቲ ዝድበቑሉ፡ ኣብ መንጎ ቤትኤልን ዓይን፡ ከይዶም ከኣ ኣብ ሸነኽ ምዕራብ ዓይ ተቐመጡ። እያሱ ግና በታ ለይቲ እቲኣ ኣብ ማእከል ህዝቢ ሓደረ። 
   10ንጽብሒቱ ድማ እያሱ ኣንጊሁ ተንስአ፡ ነቲ ህዝቢ ቘጺሩ ኸኣ፡ ንሱ ምስ ዓበይቲ እስራኤል ቀቅድሚ እቲ ህዝቢ ናብ ዓይ ደየበ። 11እቲ ምስኡ ዝነበረ ዅሉ ተዋጋኢ ዘበለ ህዝቢ ድማ ደየበ፡ ቀሪቦም ከኣ ናብ መንጽር እታ ኸተማ መጺኦም፡ በብሴሜን ዓይ ሰፈሩ። ኣብ መንጎኡን ኣብ መንጎ ዓይን ከኣ ለሰ ነበረ። 12ኣስታት ሓሙሽተ ሽሕ ሰብ ወሲዱ፡ ኣብ መንጎ ቤትኤልን ዓይን ብምዕራብ እታ ኸተማ ድብቕ ኣንበሮም። 13ንብዘሎ እቲ ህዝቢ፡ ነቲ ብሰሜን እታ ኸተማ ዝነበረ ዅሉ ጭፍራን ነቶም ብምዕራብ እታ ኸተማ ዝነበሩ ድቡቓቱን ከምኡ ኣስፈርዎም፡ እያሱ ከኣ በታ ለይቲ እቲኣ ናብ ማእከል እቲ ለሰ ኸደ። 
   14ኰነ ኸኣ፡ ንጉስ ዓይ እዚ ምስ ረኣየ፡ ሰብ እታ ኸተማ ቐልጢፎም ኣንጊሆም ተንስኡ እሞ፡ ንሱን ህዝቡን፡ ብግዜኡ ንእስራኤል ንውግእ ክቃባበልዎም፡ ናብ ቅድሚ እቲ ጐልጐል ወጹ፡ ብድሕሪ እታ ኸተማ ደቢቖምሉ ኸም ዘለዉ ግና ኣይፈለጠን ነበረ። 15እያሱን ብዘለዉ እስራኤልን ከኣ፡ ኣብ ቅድሚኦም ከም እተሳዕሩ፡ ብመገዲ በረኻ ኣቢሎም ሃደሙ። 16ሽዑ ኣብታ ኸተማ ዝነበሩ ዅሎም ህዝቢ፡ ክሰጕዎም ብኣውያት ተኣከቡ፡ ንእያሱ ድማ ሰጐጕዎ፡ ካብታ ኸተማ ኸኣ ተሳሕቡ። 17ኣብ ዓይኒ ኣብ ቤትኤልን ደድሕሪ እስራኤልን ክስዕብ ዘይወጸ ሰብ ኣይተረፈን። ነታ ኸተማ ብኽፍትታ ሓዲጎምዋ፡ ደድሕሪ እስራኤል ሰዓቡ። 18እግዚኣብሄር ድማ ንእያሱ፡ ንዓይ ኣብ ኢድካ ኽህበካ እየ እሞ፡ እቲ ኣብ ኢድካ ዘሎ ዅናት ናብኣ ኣቢልካ ዘርግሓዮ፡ በሎ። እያሱ ከኣ ነቲ ኣብ ኢዱ ዝነበረ ዅናት ናብ ከተማ ኣቢሉ ዘርግሖ። 19እቶም ተደቢቖም ዝነበሩ ድማ፡ ንሱ ኢዱ ምስ ዘርግሓ፡ ቀልጢፎም ካብ ስፍራኦም ተንስኡ እሞ ጐይዮም ናብታ ኸተማ ኣተዉ ሓዝዋ ኸኣ፡ ቀልጢፎም ድማ ብሓዊ ተኰስዋ። 20እቶም ሰብ ዓይ ንድሕሪኦም ግልጽ እንተ በሉ፡ እንሆ ኸኣ፡ ትኪ እታ ኸተማ ንሰማይ ክድይብ ረኣዩ፡ ሽዑ ናብዚ ዀነ ናብቲ ኽሃድሙ ኽእለት ኣይነበሮምን፡ እቶም ንበረኻ ኣቢሎም ዝሃደሙ ህዝቢ ከኣ ናብቶም ሰጐጕቶም ኣቢሎም ተመልሱ። 21እያሱን ብዘለዉ እስራኤልን፡ እቶም ድቡቓት ነታ ኸተማ ኸም ዝሓዝዋ፡ ትኪ እታ ኸተማውን ንላዕሊ ኸም ዝደየበ ምስ ረኣዩ፡ ተመልሱ እሞ፡ ንሰብ ዓይ ቀተልዎም። 22እቲኣቶም ከኣ ክቀባበልዎም ካብ ከተማ ወጹ። ሽዑ እዚኣቶም በዚ፡ እቲኣቶም ከኣ በቲ፡ ኣብ ማእከል እስራኤል ኰኑ። ንሳቶም ድማ፡ ሓደ እኳ ኸየትረፉን ከየምለቑን፡ ቀተልዎም። 23ንንጉስ ዓይ ከኣ ብህይወቱ ኸሎ ሒዞም፡ ናብ እያሱ ኣምጽእዎ። 24ኰነ ኸኣ፡ እስራኤል ነቶም ኵሎም ሰብ ዓይ ኣብቲ ዝሰጕዎም ዝነበሩ፡ ኣብ ግራውቲ ኣብ በረካ ቐቲሎም ምስ ወድኡ፡ ንሳቶም ክሳዕ ዝውድኡ ኸኣ ኵሎም ብስሕለት ሴፍ ምስ ወደቑ፡ ሽዑ ብዘለዉ እስራኤል ናብ ዓይ ተመልሱ እሞ፡ ንእኣ ብስሕለት ሴፍ ወቕዕዋ። 25እቶም በታ መዓልቲ እቲኣ ዝወደቑ ዅሎም፡ ካብ ሰብኣይን ካብ ሰበይትን ኵሎም ሰብ ዓይ፡ ዓሰርተው ክልተ ሽሕ ኰኑ። 26እያሱ ድማ፡ ንብዘለዉ ሰብ ዓይ ክሳዕ ዘጥፍኦም፡ ነታ ዅናት ዝዘርገሐት ኢዱ ኣይመለሳን። 27እስራኤል፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ንእያሱ ዝኣዘዞ፡ ከብትን ምርኮ እታ ኸተማ እቲኣን ጥራይ ማሪኾም ወሰዱ። 
   28እያሱ ኸኣ ንዓይ ብሓዊ ኣንደዳ፡ ክሳዕ ሎሚ ኸኣ ዑና ዅምራ ዘለኣለም ገበራ፡ 29ንንጉስ ዓይ ድማ ክሳዕ ምሸት ኣብ ኦም ሰቐሎ፡ ጸሓይ ምስ ዓረበት ከኣ፡ እያሱ ነቲ ሬሳኡ ኻብ ኦም ከውርድዎ ኣዘዘ፡ ኣብ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ ደርበይዎ። ኣብ ልዕሊኡ ድማ እቲ ኽሳዕ ሎሚ ዘሎ ዓብዪ ጨርሒ እምኒ ጨርሑሉ። 
   30ሽዑ እያሱ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፡ ኣብ ከረን ዔባል መሰውኢ ሰርሓሉ። 31ከምቲ ሙሴ ባርያ እግዚኣብሄር ንደቂ እስራኤል ዝኣዘዞም፡ ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ሕጊ ሙሴ ኸኣ ተጽሒፉ ዘሎ፡ መሰውኢ ኻብ ዘይተወቕረ፡ ሓጺን ዘይተከዮ ኣእማን፡ ኣብኡ ንእግዚኣብሄር ዝሓርር መስዋእቲ ኣዕረጉ። መስዋእቲ ምስጋናውን ሰውኡ። 32እቲ ሙሴ ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ዝጸሓፎ ሕጊ፡ ንሱ ኸኣ ከምኡ ኣብቲ ኣእማን ጸሓፎ። 33ድማ ኵሉ እስራኤልን ዓብይቱን መኳንንቱን ፈረዱን፡ ጓና ከም ወዲ ዓዲ፡ ንታቦት በዝን በትን ኣብ መንጽር እቶም ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ዝጾሩ ሌዋውያን ካህናት፡ ከምቲ ሙሴ ባርያ እግዚኣብሄር ንህዝቢ እስራኤል ክባረኹ ቕድም ዝኣዘዞም፡ ፍርቆም ብሸነኽ ከረን ጌሪዚም፡ ፍርቆም ከኣ ብሸነኽ ከረን ዔባል ቈሙ። 34ድሕርዚ ንብዘሎ ቓላት ሕጊ፡ ነቲ በረኸትን መርገምን፡ ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ሕጊ ተጽሒፉ ዘሎ ዅሉ ኣንበቦ፡ 35ካብቲ ሙሴ ዝኣዘዞ ዅሉ እያሱ ኣብ ቅድሚ ብዘሎ ማሕበር እስራኤልን ኣንስትን ሕጻናትን ኣብ ማእከሎም ዝኸዱ ጓኖትን ዘይንበቦ ቓል ኣይነበረን።

        መ. እያሱ  ምዕራፍ 9            

   1ኰነ ኸኣ፡ እቶም ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ኣብ ከረንን ቈላን ኣብ ገምገም እቲ ዓብዪ ባሕሪ ብሸነኽ ሊባኖስ ዝነብሩ ዅሎም ነገስታት፡ ሔታውያንን ኣሞራውያንን ከነኣናውያንን ፈረዛውያንን ሃዋውያንን ይቡሳውያንን እዚ ምስ ሰምዑ፡ 2ምስ እያሱን ምስ እስራኤልን ክዋግኡ ብሓደ ዀይኖም ተኣኪቦም ተሰማምዑ።
   3ሰብ ጊብዖን ከኣ እያሱ እቲ ኣብ ያሪኮን ኣብ ዓይን ዝገበሮ ምስ ሰምዑ፡ 4ንሳቶም ድማ ተንኰል ገበሩ፡ ከም ልኡኻት መሲሎም፡ ኣረገውቲ ዓያብትን ቅዱድን እተለገበን ኣሕርብቲ ወይኒ ድማ ኣብ ኣእዱጎም ጽዒኖም፡ 5ኣረጊት እተለገበ ኣሳእን ከኣ ኣብ ኣእጋሮም ገይሮም፡ ብላይ ክዳውንቲውን ተከዲኖም ከዱ። ኵሉ እንጌራ ስንቆም ድማ ዝነቐጸን እተረፋረፈን ነበረ። 6ናብ እያሱ ናብቲ ሰፈር ኣብ ጊልጋል ከይዶም ከኣ፡ ንእኡን ንሰብ እስራኤልን፡ ካብ ርሑቕ ሃገር ዝመጻእና ኢና፡ ሕጂ ድማ ምሳና ኪዳን እተዉ፡ በልዎም፡ 7ሰብ እስራራኤል ከኣ ንሃዋውያን፡ ምናልባሽ ኣብ ማእከልና ትነብሩ ኸይትዀኑ፡ ከመይ ጌርና ምሳካትኩም ኪዳን ክንኣቱ፧ በልዎም። 8ንእያሱ ኸኣ፡ ንሕና ገላዉኻ ኢና፡ በልዎ። እያሱ ድማ፡ እንታዎት ኢኹም፧ ካበይከ መጺእኩም፧ በሎም። 9ንሳቶም ከኣ በልዎ፡ ወሪኡን እቲ ኣብ ግብጺ ዝገበሮ ዅሉን ሰሚዕና እሞ፡ ገላዉኻ ምእንቲ ስም እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኻብ ኣዝዩ ርሑቕ ሃገር ዝመጻእና ኢና። 10እቲ ነቶም ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ዝነበሩ ኽልተ ነገስታት ኣሞራውያን፡ ንሲሆን ንጉስ ሔስቦንን፡ ነቲ ኣብ ኣስታሮት ዝነበረ ዖግ ንጉስ ባሳንን ዝገበሮ ዅሉ ድማ ሰሚዕና። 11እቶም ዓበይትናን ኣብ ሃገርና ዝነብሩ ዅሎምን ከምዚ ኢሎም ተዛረቡና፡ ስንቂ ንመገዲ ኣብ ኢድኩም ውሰዱ፡ ክትቀባበልዎም ድማ ኪዱ። ንሕና ገላውኹም ኢና፡ ሕጂ ኸኣ ኪዳን እተዉልና፡ በልዎም። 12እዚ እንጌራና በታ ናባኻትኩም ክንከይድ ዝወጻእናላ መዓልቲ ኻብ ኣባይትና ብውዑዩ ዝሰነቕናዮ፡ ሕጂ ግና እንሆ፡ ነቒጹን ተረፋሪፉን እዩ። 13እዚ ኣሕርብቲ ወይኒ ኸኣ ብሓደስቱ ዝመላእናዮ፡ እንሆ ተቐዲዱ፡ እዚ ኽዳውንትናን ኣሳእናን ድማ ካብ ምንዋሕ መገዲ በልዩ። 14ሽዑ እቶም ሰባት ካብቲ ስንቆም ወሰዱ፡ ንኣፍ እግዚኣብሄር ከኣ ኣይጠየቑን። 15እያሱ ድማ ምሳታቶም ሰላም ገበረ፡ ብህይወቶም ክሓድጎም ከኣ ኪዳን ኣተወሎም። ሹማምቲ እቲ ኣኼባውን መሓሉሎም። 
   16ኰነ ኸኣ፡ ምሳታቶም ኪዳን ምስ ኣተዉ፡ ብድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ጐረቤቶም ምዃኖም፡ ኣብ ማእከሎም እኳ ደኣ ከም ዝነብሩ ሰምዑ። 17ደቂ እስራኤል ከኣ ነቒሎም ብሳልሰይቲ መዓልቲ ናብ ከተማታቶም መጹ። እተን ከተማታቶም ከኣ ጊብዖንን ከፊራን ብኤሮትን ቂርያትየዓሪምን እየን። 18ግናኸ ደቂ እስራኤል፡ እቶም ሹማምቲ ኣኼባ ብስም እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ምሒሎሙሎም ስለ ዝነበሩ፡ ኣይቀተልዎምን። ብዘሎ እቲ ኣኼባ ከኣ ኣብቶም ሹማምቲ ኣጕረምረመ። 19እቶም ሹማምቲ ዅሎም ድማ ንብዘሎ እቲ ኣኼባ፡ ንህና ብእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ምሒልናሎም ኢና፡ ሕጂ ኸኣ ክንትንክዮም ኣይንኽእልን። 20ብዛዕባ ኣቲ ዝመሓልናሎም ማሕላ መዓት ከይወርደናስ፡ ከምዚ ግዳ ንግበሮም፡ ብህይወት ንሕደጎም፡ በልዎ። 21እቶም ሹማምቲ፡ ብህይወት ይንበሩ፡ በልዎም። ግናኸ፡ ከምቲ ሹማምቲ ዝበልዎም፡ ንብዘሎ ኣኼባ ቘረጽቲ ዕጨይትን ወረድቲ ማይን ኰኑ። 
   22እያሱ ድማ ናብኡ ጸዊዑ፡ ኣብ ማእከልና ኽነስኹምሲ፡ ንሕና ኻባኹም ኣዚና ርሑቓት ኢና፡ ብምባልኩም ስለምንታይ ጠበርኩምና፧ 23ሕጂ ድማ ንስኻትኩም ርጉማት ኢኹም፡ ባርነት ከኣ ካባኻትኩም ኣይለቅቕን፡ ንቤት ኣምላኸይ ቈረጽቲ ዕጨይትን ወረድቲ ማይን ክትኰኑ ኢኹም፡ ኢሉ ተዛረቦም። 24ንሳቶም ድማ ንእያሱ፡ እቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ንሙሴ ባርያኡ ብዘላ እዛ ምድሪ እዚኣ ኽህበኩም፡ ኣብዛ ሃገር ንዝነብሩ ዅሎም ከኣ ካብ ቅድሜኹም ከጥፍኦም ከም ዝኣዘዞ፡ ንኣና ባሮትካ ርግጽ ተነጊሩ እዩ እሞ፡ ስለዚ ኣብ ቅድሜኹም ንነፍስና ኣዚና ፈሪህና፡ እዚ ነገር እዚ ገበርና። 25ሕጂ ድማ እንሆ፡ ኣብ ኢድካ ኢና፡ ንኣና ኽትገብሮ ጽቡቕን ቅኑዕን መሲሉ እተራእየካ ግበር፡ ኢሎም መለሱሉ። 26ከምኡ ኸኣ ገበሮም፡ ካብ ኢድ ደቂ እስራኤል ድማ ኣናገፎም፡ ንሳቶምውን ኣይቀተልዎምን። 27እያሱ ኸኣ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ነቲ ኣኼባን ንመሰውኢ እግዚኣብሄርን ኣብታ ንሱ ዝሓረያ ቦታ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ቘረጽቲ ዕጨይትን ወረድቲ ማይን ገበሮም።

        መ. እያሱ  ምዕራፍ 10 

   1ኰነ ኸኣ፡ ኣዶኒጼዴቅ ንጉስ የሩሳሌም፡ እያሱ ንዓይ ከም ዝሓዛን ፈጺሙ ከም ዘጥፍኣን፡ ከምቲ ንያሪኮን ንንጉሳን ዝገበሮ፡ ከምኡ ድማ ንዓይን ንንጉሳን ከም ዝገበረ፡ እቶም ኣብ ጊብዖን ዝነብሩውን ምስ እስራኤል ከም እተዓርቁን፡ ኣብ ማእከሎም ከኣ ከም ዝነብሩን ምስ ሰምዐ፡ 2ጊብዖንሲ ኸም ሓንቲ ኻብተን ከተማታት ነገስታት ዓባይ ከተማ ስለ ዝነበረት፡ አረ ኻብ ዓይ እኳ ትዓቢ ነበረት፡ ኵሎም ሰባትውን ጀጋኑ ነበሩ እሞ፡ ኣዝዮም ፈርሁ፡ 3ስለዚ ኣዶኒጼደቅ ንጉስ የሩሳሌም ናብ ሆሃም ንጉስ ኬብሮንን ናብ ጲርኣም ንጉስ ያርሙትን ናብ ያፊዓ ንጉስ ላኪሽን ናብ ደቢር ንጉስ ዔግሎንን ልኢኹ፡ 4ጊብዖን ምስ እያሱን ምስ ደቂ እስራኤልን ተዓሪቓ እያ እሞ፡ ክንዋግኣ ናባይ ደይብኩም ሓግዙኒ፡ በሎም። 5ሽዑ ሓሙሽቲኦም ነገስታት ኣሞራውያን፡ ንጉስ የሩሳሌም፡ ንጉስ ኬብሮን፡ ንጉስ ያርሙት፡ ንጉስ ላኪሽ፡ ንጉስ ዔግሎን፡ ንሳቶምን ኵሎም ሰራዊቶምን ተኣኪቦም ደየቡ፡ ኣብ መንጽር ጊብዖን ድማ ሰፈሩ፡ ተዋግእዋ ኸኣ። 
   6ሰብ ጊብዖን ድማ ናብ እያሱ ኣብቲ ሰፈር ኣብ ጊልጋል ልኢኾም፡ እቶም ኣብ ከረን ዝነብሩ ነገስታት ኣሞራውያን ኵሎም ናባና ተኣኪቦም እዮም እሞ፡ ኢድካ ኻብ ባሮትካ ኣይድከም፡ ቀልጢፍካ ናባና ደይብ፡ ኣድሕነናን ርድኣናን፡ በልዎ፡ 7ሽዑ እያሱ፡ ንሱን ብዘሎ እቲ ተዋጋኢ ህዝብን፡ ኵሎም ሓያላት ጀጋኑ ኸኣ ምስኡ ኻብ ጊልጋል ደየቡ። 8እግዚኣብሄር ድማ ንእያሱ፡ ንኣታቶም ኣብ ኢድካ ሂበካ እየ፡ ካባታቶም ሓደ ሰብ እኳ ኣብ ቅድሜኻ ኣይቐውምን እዩ እሞ፡ ኣይትፍርሃዮም፡ በሎ። 9እያሱ ከኣ ካብ ጊልጋል ምሉእ ለይቲ ገስጊሱ ብድንገት ሓደጋ ወደቖም። 10እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ቅድሚ እስራኤል ኣሸበሮም፡ ኣብ ጊብዖን ከኣ ብዓብዪ መውቃዕቲ ወቕዖም፡ ብመገዲ ዓቐበት ቤትሖሮን ሰጐጎም፡ ክሳዕ ዓዜቃን ክሳዕ ማቄዳን ከኣ ወቕዖም። 11ኰነ ኸኣ፡ ካብ እስራኤል ሃዲሞም፡ ኣብቲ መውረዲ ቤትሖሮን ከለዉ ኽሳዕ ዓዜቃ ዝበጽሑ፡ እግዚኣብሄር ካብ ሰማይ ዓበይቲ ኣእማን ኣውደቐሎም፡ ሞቱ ኸኣ። ካብቶም ደቂ እስራኤል ብሴፍ ዝቐተልዎም፡ እቶም በእማን በረድ ዝሞቱ ይበዝሑ። 
   12ሽዑ በታ እግዚኣብሄር ንኣሞራውያን ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ኣሕሊፉ ዝሃበላ መዓልቲ፡ እያሱ ንእግዚኣብሄር ተዛረቦ፡ ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ድማ በለ፡ ኣቲ ጸሓይ፡ ኣብ ጊብዖን ደው ኢልኪ ጽንሒ፡ ኣቲ ወርሒውን፡ ኣብ ለሰ ኣያሎን። 13ሽዑ እቲ ህዝቢ ንጻላእቱ ሕነ ኽሳዕ ዝፈዲ፡ ጸሓይ ቈመት፡ ወርሒውን ደው በለት። እዝስ ኣብ መጽሓፍ ያሻርዶኸ ተጽሒፉ ኣይኰነን፧ እታ ጸሓይ ኣብ ማእከል ሰማይ ኣስታት ምሉእ መዓልቲ ቘመት፡ ንምዕራብ ከኣ ኣይቀልጠፈትን። 14እግዚኣብሄር ንእስራኤል ተዋጊኡሎም እዩ እሞ፡ እግዚኣብሄር ደሃይ ሰብ ብምስማዕ ከምታ መዓልቲ እቲኣ ዝበለት፡ ቅድሚኣ ዀነ ድሕሪኣ ኣይነበረትን። 
   15እያሱ፡ ኵሉ እስራኤል ከኣ ምስኡ፡ ናብቲ ሰፈር ኣብ ጊልጋል ተመልሰ። 16እቶም ሓሙሽተ ነገስታት ድማ ሃዲሞም ኣብ በዓቲ ማቄዳ ተሓብኡ። 17ንእያሱ ኸኣ፡ እቶም ሓሙሽተ ነገስታትሲ ኣብ በዓቲ ማቄዳ ተሓቢኦም ተረኺቦም ኣለዉ፡ ኢሎም ነገርዎ። 18እያሱ ድማ በለ፡ ናብ ኣፍ እቲ በዓቲ ዓበይቲ ኣእማን ኣንከባልሉ፡ ዝሕልውዎም ሰብ ከኣ ግበሩ። 19ንስኻትኩም ግና ደው ኣይትበሉ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንጸላእትኹም ናብ ኢድኩም ሂቡኩም እዩ እሞ፡ ስጐጕዎም። ነቶም ዳሕሮቶም ከኣ ቅተልዎም፡ ናብ ከተማታቶም ክኣትዉ ኣይትሕደግዎም። 
   20ኰነ ኸኣ፡ እያሱን ደቂ እስራኤልን ኣዝዩ ዓብዪ ስዕረት፡ ክሳዕ ዝውድኡ ፈጺሞም ምስ ሰዓርዎም፡ እቶም ካባታቶም መሊቖም ዝሃደሙ ድማ ናብተን እተዓርዳ ኸተማታት ምስ ኣተዉ፡ 21ኵሉ እቲ ህዝቢ ናብ እያሱ ኣንብ ሰፈር ኣብ ማቄዳ ብሰላም ተመልሰ። ንሓደ ኻብ ደቂ እስራኤልስ መልሓሱ ዘዋሳወሰሉ ሓደ እኳ ኣይነበረ። 
   22ሽዑ እያሱ፡ ነቲ ኣፍ በዓቲ ኽፈትዎ፡ ነቶም ሓሙሽተ ነገስታት ካብቲ በዓቲ ናባይ ኣውጽእዎም፡ በለ። 23ከምኡ ድማ ገበሩ፡ ነቶም ሓሙሽተ ነገስታት፡ ንጉስ የሩሳሌም፡ ንጉስ ኬብሮን፡ ንጉስ ያርሙት፡ ንጉስ ላኪሽ፡ ንጉስ ዔግሎን፡ ካብቲ በዓቲ ናብኡ ኣውጽእዎም። 24ኰነ ኸኣ፡ ነቶም ነገስታት እቲኦም ናብ እያሱ ምስ ኣውጽእዎም፡ እያሱ ንዅሎም ሰብ እስራኤል ጸውዖም፡ ነቶም ምስኡ ኸይዶም ዝነበሩ ሓላቑ እቶም ተዋጋእቲ ድማ፡ ቅረቡ እሞ ኣእጋርኩም ኣብ ክሳውዲ እዞም ነገስታት እዚኦም ግበሩ፡ በሎም። ቀረቡ እሞ ኣእጋሮም ኣብ ክሳውዶም ገበሩ፡ 25እያሱ ድማ፡ እግዚኣብሄርሲ ነቶም እተዋግዎም ኵሎም ጸላእትኹም ከምኡ ኽገብሮም እዩ እሞ፡ ኣይትፍርሁን ኣይትሰምብዱን፡ ጽንዑን ትብዑን፡ በሎም። 26ድሕርዚ እያሱ ወቒዑ ቐተሎም፡ ኣብ ሓሙሽተ ኦም ሰቐሎም፡ ክሳዕ ምሸት ከኣ ኣብተን ኣእዋም ተሰቒሎም ወዓሉ። 27ኰነ ኸኣ፡ ኣጋ ምዕራብ ጸሓይ እያሱ ኣዘዞም፡ ካብተን ኣእዋም ኣውሪዶም ኣብቲ ተሓቢኦምሉ ዝነበሩ በዓቲ ደርበይዎም። ኣብቲ ኣፍ በዓቲ ድማ እቲ ኽሳዕ ሎም መዓልቲ ዘሎ ዓበይቲ ኣእማን ገበሩ። 
   28እያሱ ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ ንማቄዳ ሓዛ፡ ንእኣን ንንጉሳን ከኣ ብስሕለት ሴፍ ወቕዐ፡ ንኣታቶምን ኣብኣ ንዘለዉ ዅሎም ነፍሳትን ሓደ እኳ ኸየትረፈ፡ ፈጺሙ ኣጥፍኦም። ከምቲ ንንጉስ ያሪኮ ዝግበሮ፡ ንንጉስ ማቄዳ ድማ ከምኡ ገበሮ። 
   29እያሱ፡ ኵሉ እስራኤል ድማ ምስኡ፡ ካብ ማቄዳ ናብ ሊብና ሓለፈ፡ ንሊብና ኸኣ ተዋግኣ። 30እግዚኣብሄር ድማ ንእኣን ንንጉሳን ኣብ ኢድ እስራኤል ሃበ፡ ንእኣን ኣብኣ ንዘለዉ ዅሎም ነፍሳትን፡ ኣብኣ ሓደ እኳ ኸየትረፈ፡ ብስሕለት ሴፍ ቀተለ። ንንጉሳ ድማ ከምቲ ንንጉስ ያሪኮ ዝገበሮ ገበረ። 
   31እያሱ፡ ኵሉ እስራኤል ከኣ ምስኡ፡ ካብ ሊብና ናብ ላኪሽ ሓለፈ እሞ ኣብ መንጽራ ሰፊሩ ተዋግኣ። 32እግዚኣብሄር ንላኪሽውን ኣብ ኢድ እስራኤል ሃባ፡ ብኻልአይቲ መዓልቲ ሓዛ፡ ከምቲ ዅሉ ንሊብና ዝገበራ፡ ንእኣን ኣብኣ ንዘለዉ ዅሎም ነፍሳትን ከኣ ብስሕለት ሴፍ ቀተለ። 
   33ሽዑ ሆራም ንጉስ ጌዝር ንላኪሽ ክረድኣ ደየበ፡ እያሱ ድማ ንእኡን ንህዝቡን፡ ሓደ እኳ ኸየትረፈ፡ ቀተለ። 
   34እያሱ፡ ብዘሎ እስራኤል ከኣ ምስኡ፡ ካብ ላኪሽ ናብ ዔግሎን ሓለፈ፡ ኣብ መንጽራ ሰፈሮም ከኣ ተዋግእዋ። 35በታ መዓልቲ እቲኣ ሓዝዋ፡ ብስሕለት ሴፍውን ወቕዕዋ፡ ንሱ በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብኣ ንዘለዉ ዅሎም ነፍሳት፡ ከምቲ ዅሉ ንላኪሽ ዝገበራ፡ ፈጺሙ ኣጥፍኦም። 
   36እያሱ፡ ብዘሎ እስራኤል ድማ ምስኡ፡ ካብ ዔግሎን ናብ ኬብሮን ደየበ፡ ተዋግእዋ ከኣ። 37ሓዝዋ ድማ፡ ንእእን ንንጉሳን ንዅለን ከተማታታን ኣብኣ ንዘለዉ ዅሎም ነፍሳትን ብስሕለት ሴፍ ቀተልዎም። ከምቲ ዅሉ ኣብ ዔግሎን ዝገበሮ፡ ሓደ እኳ ኣየትረፈን፡ ንእኣን ኣብኣ ንዘለዉ ዅሎም ነፍሳትን ፈጺሙ ኣጥፍኦም። 
   38እያሱ፡ ኵሉ እስራኤል ድማ ምስኡ፡ ናብ ደቢር ተመልሰ፡ ተዋግኣ ኸኣ። 39ንእኣን ንንጉሳን ንዅለን ከተማታታን ሓዘ፡ ብስሕለት ሴፍውን ቀተልዎም፡ ኣብኣ ንዘለዉ ንዅሎም ነፍሳት ድማ ፈጺሞም ኣጥፍእዎም፡ ሓደ እኳ ኣየትረፈን። ከምቲ ኣብ ኬብሮን ዝገበሮ፡ ከምቲ ኣብ ሊብናን ኣብ ንጉሳን ከኣ ዝገበሮ፡ ኣብ ደቢርን ንጉሳን ከኣ ከምኡ ገበረ። 
   40በዚ ኸምዚ እያሱ ንዅላ እታ ምድሪ ኸረንን ደቡብን ቈላን ጎቦታትን ኵሎም ነገስታቶምን ቀተሎም፡ ሓደ እኳ ኣየትረፈን። ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ዝኣዘዞ፡ ትንፋስ ንዘለዎ ዅሉ ፈጺሙ ኣጥፍኣ። 41ከምኡ ድማ እያሱ ካብ ቃዴስባርኔዓ ኽሳዕ ጋዛ፡ ንዅላ ሃገር ጎሼን ከኣ ክሳዕ ጊብዖን ወቕዖም። 42እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ንእስራኤል ይዋግኣሉ ነበረ እሞ፡ እያሱ ነዞም ኵሎም ነገስታት እዚኣቶምን ንምድሮምን ብሓንሳእ ሓዘ። 43ድሕርዚ እያሱን ብዘሎ እስራኤልን ምስኡ ናብቲ ሰፈር ኣብ ጊልጋል ተመልሱ።

        መ. እያሱ  ምዕራፍ 11           

   1ኰነ ኸኣ፡ ያቢን ንጉስ ሓጾር እዚ ምስ ሰምዐ፡ ናብ ዮባብ ንጉስ ማዶንን ናብ ንጉስ ሺምሮንን ናብ ንጉስ ኣክሻፍውን፡ 2ናብቶም ብሰሜን ኣብ ኣኽራንን ኣብ ጐልጐልን ብደቡብ ኪነሮት ድማ ኣብ ቈላን ኣብ ምዕራብን በረኽቲ ዶር ናብ ዝነበሩ ነገስታት፡ 3ብምብራቕን ብምዕራብን ናብ ዝነበሩ ከነኣናውያን፡ ናብ ኣሞራውያንን ሔታውያንን ፈረዛውያንን፡ ኣብ ኣኽራን ናብ ዝነበሩ ይቡሳውያንን ኣብ እግሪ ሄርሞን ኣብ ምድሪ ሚጽጳ ናብ ዝነበሩ ሃዋውያንን ለኣኸ። 4ንሳቶምን ኵሎም ሰራዊቶምን ምሳታቶም፡ ከምቲ ኣብ ገምገም ባህሪ ዘሎ ሑጻ ዝምብዛሁ ብዙሕ ህዝቢ፡ ምስ ኣዝዩ ብዙሕ ፈረስን ሰረገላን ወጹ። 5እዞም ነገስታት እዚኣቶም ኵሎም ከኣ ተኣከቡ፡ ምስ እስራኤል ክዋግኡ መጺኦም ድማ፡ ኣብ ማይ ሜሮም ብሓደ ሰፈሩ። 6እግዚኣብሄር ድማ ንእያሱ፡ ጽባሕ ከምዛ ግዜ እዚኣ፡ ኣነ ንዅሎም ቅቱላት ገይረ ኣብ ቅድሚ እስራኤል ኣሕሊፈ ኽህቦም እየ እሞ፡ ብእኦም ኣይትፍራህ፡ ኣፍራሶም ክትቅንጅብ፡ ሰረገላታቶምውን ብሓዊ ኸተንድድ ኢኻ፡ በሎ። 
   7እያሱ፡ ብዘሎ እቲ ተዋጋኢ ህዝቢ ኸኣ ምስኡ፡ ኣብ ማይ ሜሮም መጺኡ፡ ብድንገት ሓደጋ ወደቖም። 8እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ኢድ እስራኤል ሃቦም፡ እሞ ወቕዕዎም፡ ክሳዕ እታ ዓባይ ሲዶን፡ ክሳዕ ሚስረፎትማይም ድማ፡ ብሸነኽ ምብራቕውን ክሳዕ ለሰ ሚጺጳ ሰጐጕዎም። ሓደ እኳ ከየትረፉሎም ቀተልዎም። 9እያሱ ድማ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ገበሮም፡ ኣፍራሶም ቀንጀበ፡ ሰረገላታቶምዉ ብሓዊ ኣንደደ። 
   10ሓጾር ድማ ነዘን ኵለን መንግስትታት እዚኣተን ቀደም ርእሲ ኸተማአን ነበረት እሞ፡ እያሱ በታ ግዜ እቲኣ፡ ተመሊሱ ንሓጾር ሓዛ፡ ንንጉሳ ኸኣ ሰየፎ። 11ኣብኣ ንዘለዉ ዅሎም ነፍሳት ብስሕለት ሴፍ ወቒዖም ፈጺሞም ኣጥፍእዎም፡ ትንፋስ ዘላቶ ሓደ እኳ ኣይተረፈን። ንሓጾርውን ብሓዊ ኣንደዳ። 12እያሱ ድማ ንዅለን ከተማታት እዞም ነገስታት እዚኣቶምን ንዅሎም ነገስታትንን ሓዘ። ከምቲ ሙሴ ባርያ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ኸኣ፡ ብስሕለት ሴፍ ወቒዑ ፈጺሙ ኣጥፍኦም። 13ብጀካ እታ እያሱ ዘንደዳ ሓጾር ጥራይ፡ እስራኤል ነተን ኣብ ኵርባታት ዘለዋ ኸተማታት ኣየንደደን። 14ኵሉ ምርኮ እተን ከተማታት እዚአንን ማልን ደቂ እስራኤልን ንርእሶም ማረኽዎ። ንዅሉ ሰብ ግና ክሳዕ ዘጥፍእዎም ብስሕለት ሴፍ ቀተልዎም። ትንፋስ ዘላቶ ሓደ እኳ ኣየትረፉን። 15ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ባርያኡ ዝኣዘዞ፡ ከምኡ ሙሴ ንእያሱ ኣዘዞ፡ እያሱውን ከምኡ ገበረ። ንሱ ኻብቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ዅሉ ሓደ ነገር እኳ ኣይሓደገን። 
   16እያሱ ኸኣ ንብዘላ እታ ሃገር፡ ምድሪ ኣኽራንን ኵሉ ደቡብን ብዘላ ምድሪ ጐሼንን ቈላን ጐልጐልን ኣኽራን እስራኤልን ቈላኡን ሓዘ። 17ካብቲ ናብ ሰዒር ዘደይብ መላጥ ከረን ሒዙ፡ ክሳዕ እቲ ኣብ ጐልጐል ሊባኖስ ኣብ እግሪ ሄርሞን ዘሎ በዓልጋድ፡ ንዅሎም ነገስታቶም ሓዘ፡ ወቒዑ ድማ ቀተሎም። 18እያሱ ምስ እዞም ኵሎም ነገስታት እዚኣቶም ነዊሕ ዘበን ተዋግአ። 19ብጀካ እቶም ኣብ ጊብዖን ዝነብሩ ሃዋውያንሲ፡ ምስ እስራኤል እተዓርቀት ከተማ ኣይነበረትን፡ ንዅለን ተዋጊኦም ሓዝወን። 20ምእንቲ ፈጺሙ ኸጥፍኦም እሞ ምሕረት ከይረኽቡ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ ምእንቲ ኸጥፍኦም፡ ምስ ደቂ እስራኤል ክዋግኡ ምትራር ልቦም ካብ እግዚኣብሄር ኰነ። 
   21በታ ግዜ እቲኣ እያሱ መጺኡ ነቶም ዓናቃውያን ካብ ኣኽራን፡ ካብ ኬብሮን፡ ካብ ደቢር፡ ካብ ዓናብ፡ ድማ ካብ ብዘሎ ኣኽራን ይሁዳን ካብ ብዘሎ ኣኽራን እስራኤልን ኣጥፍኦም። እያሱ ፈጺሙ ምስ ከተማታቶም ኣጥፍኦም። 22ኣብ ሃገር ደቂ እስራኤል ገለ ዓናቃውያንን ኣይተረፉን። ኣብ ጋዛን ኣብ ጋትን ኣብ ኣሽዶድን ጥራይ ተረፉ። 23ከምኡ ድማ እያሱ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ እተዛረቦ ዅሉ፡ ንብሃገራ ሓዛ፡ እያሱ ድማ ንእስራኤል ከከም ክፍሎምን ከከም ነገዶምን ርስቲ ሃቦም። እታ ሃገር ድማ ካብ ውግእ ዓረፈት።

        መ. እያሱ  ምዕራፍ 12           

   1እቶም ደቂ እስራኤል ዝሰዓርዎም እሞ ምድሮም ከኣ ኣብ ስግር ዮርዳኖስ፡ ብምብራቕ ጸሓይ፡ ካብ ርባ ኣርኖን ክሳዕ ከረን ሄርሞን፡ ብሸነኽ ምብራቕ ዘሎ ዅሉ ጐልጐል ድማ ዝወረስዎም ነገስታት እዚኣቶም እዮም። 2እቲ ኣብ ሔስቦን ዝነበረ ኻብታ ኣብ ገምገም ርባ ኣርኖን ዘላ ዓሮዔር፡ ኣብ ማእከል ርባ ዘላ ኸተማን ፈረቓ ጊልዓድን ድማ፡ ክሳዕ እታ ንደቂ ኣሞን እተዳውብ ርባ ያቦቅ ዝገዝእ ዝነበረ ሲሆን ንጉስ ኣሞራውያን። 3ድማ እቲ ብወገን ምብራቕ ዘሎ ጐልጐል ክሳዕ ባሕሪ ኪነሮት፡ ብወገን ምብራቕ ድማ ክሳዕ ባሕሪ ጐልጐል፡ ንሱ ኸኣ ባሕሪ ጨው፡ ናብ መገዲ ቤትየሲሞት፡ ንደቡብ ድማ ኣብ እግሪ ጐቦታት ጲስጋ። 
   4ድማ ዶብ ዖግ ንጉስ ባሳን፡ ንሱ ኻብቶም ኣብ ኣሽታሮትን ኣብ ኤድሬዒን ዝቕመጥ ዝነበረ ተረፍ ራፋውያን እዩ። 5ንሱ ኣብ ከረን ሄርሞንን ኣብ ሳልካን ኣብ ብዘሎ ባሳንን ክሳዕ ዶብ ገሹራውያንን ማዓካታውያንን ኣብ ፈረቓ ጊልዓድን ድማ፡ ዶብ ሲሆን ንጉስ ሔስቦን ይገዝእ ነበረ። 6ሙሴ ባርያ እግዚኣብሄርን ደቂ እስራኤልን ወቕዕዎም፡ ሙሴ ባርያ እግዚኣብሄር ድማ እታ ምድሮም ንሮቤላውያንን ንጋዳውያንን ንፈረቓ ነገድ ምናሴን ንርስቲ ሃቦም። 
   7እቶም ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ኣብ ወገን ምዕራብ፡ ኣብ ጐልጐል ሊባኖስ ካብ ዘላ በዓልጋድ ክሳዕ እቲ ናብ ሰዒር ዘደይብ መላጥ ከረን ዝነበሩ፡ እያሱን ደቂ እስራኤልን ዝወቕዕዎም ነገስታት እታ ሃገር እዚኣቶም እዮም። እያሱ ድማ እታ ምድሪ ንነገዳት እስራኤል ከከም ክፍልታቶም ገይሩ ንርስቲ ሃቦም፡ 8ኣብ ኣኽራንን ኣብ ቈላን ኣብ ጐልጐልን ኣብ ጐቦታትን ኣብ በረኻን ኣብ ደቡብን ሔታውያን፡ ኣሞራውያን፡ ከነኣናውያን፡ ፈረዛውያን፡ ሃዋውያን፡ ይቡሳውያን ድማ፡ 
   9ንጉስ ያሪኮ ሓደ፡ ንጉስ እታ ኣብ ጥቓ ቤት-ኤል ዘላ ዓይ ሓደ፡ 
   10ንጉስ የሩስሌም ሓደ፡ ንጉስ ኬብሮን ሓደ፡ 
   11ንጉስ ያርሙት ሓደ፡ ንጉስ ላኪሽ ሓደ፡ 
   12ንጉስ ዔግሎን ሓደ፡ ንጉስ ጌዘር ሓደ፡ 
   13ንጉስ ደቢር ሓደ፡ ንጉስ ጌደር ሓደ፡ 
   14ንጉስ ሖርማ ሓደ፡ ንጉስ ዓራድ ሓደ፡ 
   15ንጉስ ሊብና ሓደ፡ ንጉስ ዓዱላም ሓደ፡ 
   16ንጉስ ማቄዳ ሓደ፡ ንጉስ ቤትኤል ሓደ፡ 
   17ንጉስ ታጱኣ ሓደ፡ ንጉስ ሔፌር ሓደ፡ 
   18ንጉስ ኣፌቅ ሓደ፡ ንጉስ ላሻሮን ሓደ፡ 
   19ንጉስ ማዶን ሓደ፡ ንጉስ ሓጾር ሓደ፡ 
   20ንጉስ ሺምሮንሜሮን ሓደ፡ ንጉስ ኣክሻፍ ሓደ፡ 
   21ንጉስ ታዓናክ ሓደ፡ ንጉስ መጊዶ ሓደ፡ 
   22ንጉስ ቀደሽ ሓደ፡ ንጉስ ዮቅነዓም ኣብ ቀርሜሎስ ሓደ፡ 
   23ንጉስ ዶር ኣብ በረኽቲ ዶር ሓደ፡ ንጉስ ጐዪም ኣብ ጊልጋል ሓደ፡ 
   24ንጉስ ቲርጻ ሓደ። ኵሎም ሰላሳን ሓደን ነገስታት እዮም።

        መ. እያሱ  ምዕራፍ 13            

   1እያሱ ድማ ነዊሕ ዘበን ገይሩ ኣሪጉ ነበረ፡ እግዚኣብሄር ከኣ በሎ፡ ንስኻ ነዊሕ ዘበን ጌርካ ኣሪግካ ኢኻ፡ እትተሓዝ ምድሪ ድማ ገና ኣዝያ ገዛፍ ተሪፋ ኣላ። 2እታ ዝተረፈት ምድሪ ኸኣ እዚኣ እያ፡ ብዘሎ ጐደቦታት ፍልስጥኤማውያንን ኵሎም ጌሹራውያንን፡ 3ካብታ ኣብ ቅድሚ ግብጺ ዘላ ሺሖር ንሰሜን ከኣ ክሳዕ እታ ምስ ምድሪ ኸነኣን እትቑጸር ዶብ ዔቅሮን፡ ናይቶም ሓሙሽተ ሹማምቲ ፍልስጥኤማውያን፡ ጋዛውያን፡ ኣሽዶዳውያን፡ ኣስቀሎናውያን፡ ጋታውያን፡ ዔቅሮናውያን ዓዋውያን ድማ፡ 4ብደቡብ ኵሉ ምድሪ ኸነኣናውያን፡ ሜዓራ ናይ ሲዶናውያንውን ከሳዕ ኣፌቅ፡ ክሳዕ ዶብ ኣሞራውያን፡ 5ድማ ምድሪ ጌባላውያን፡ ብዘሎ ሊባኖስ ድማ ብወገን ምብራቕ ጸሓይ፡ ካብቲ ኣብ እግሪ ኸረን ሄርሞን ዘሎ በዓልጋድ ክሳዕ እቲ ንሃማት ዘእቱ፡ 6ኣብ ኣኽራን ካብ ሊባኖስ ክሳዕ ሚስረፎት ማዪም ዝነብሩ ዅሎም፡ ብዘለዉ ሲዶናውያን። ኣነ ኻብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ክሰጎም እየ። ጥራይ፡ ከምቲ ዝኣዘዝኩኻ ጌርካ፡ እታ ምድሪ ንእስራኤል ንርስቲ ኣካፍሎም። 7እምበኣር ሕጂ እዛ ምድሪ እዚኣ ንትሽዓቲኦም ነገድን ንፈረቓ ነገድ ምናሴን ንርስቲ ምቐላ። 
   8ምስኡ ሮቤላውያንን ጋዳውያንን፡ ከምቲ ሙሴ ባርያ እግዚኣብሄር ዝሃቦም፡ እቲ ሙሴ ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ብወገን ምብራቕ ዝሃቦም ርስቶም ተቐበሉ፡ 9ካብታ ኣብ ገምገም ርባ ኣርኖን ዘላ ዓሮዔር፡ ካብታ ኣብ ማእከል ርባ ዘላ ኸተማ ኸኣ ብዘሎ ጐልጐል ሜድባ ኽሳዕ ዲቦንውን፡ 10ድማ ዅለን ከተማታት ናይቲ ኣብ ሔስቦን ክሳዕ ዶብ ደቂ ኣሞን ዝነገሰ ሲሆን ንጉስ ኣሞራውያን፡ 11ጊልዓድን ዶብ ጌሹራውያንን መዓካታውያንን፡ ብዘሎ ኸረን ሄርሞንን ብዘሎ ባሳን ድማ ክሳዕ ሳልካ፡ 12ብዘሎ መንግስቲ ዖግ ኣብ ባሳን፡ እቲ ኣብ ኣስታሮትን ኣብ ኤድሬዒን ዝነገሰ ንሱ ኻብቶም ተረፍ ራፋውያን ተሪፉ ነበረ ሙሴ ድማ ወቒዑ ኣውጽኦም። 13ንጌሹራውያንን ንማዓካታውያንን ግና ደቂ እስራኤል ኣየውጽእዎምን እሞ ጌሹርን ማዓካትን ክሳዕ ሎም መዓልቲ ኣብ ማእከል እስራኤል ይቕመጡ ኣለዉ። 14ንነገድ ሌዊ ጥራይ ርስቲ ኣይሃቦምን፡ ርስቱስ ከምቲ ዝበሎ፡ ናይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል መስዋእቲ ሓዊ እዩ። 
   15እምበኣርሲ ሙሴ ንነገድ ደቂ ሮቤል ከከም ዓሌቶም ርስቲ ሃቦም። 16ዶቦም ከኣ ካብታ ኣብ ገምገም ርባ ኣርኖን ዘላ ዓሮዔርን ካብታ ኣብ ማእከል ርባ ዘላ ኸተማን፡ ብዘሎ ጐልጐል ሜድባ ድማ፡ 17ሔስቦንን እተን ኣብ ጐልጐል ዘለዋ ዅለን ከተማታትን፡ ዲቦንን ባሞትብዓልን ቤትበዓልሜዖንን፡ 18ያሕጻን ቄዴሞትን ሜፋዓትን፡ 19ቂርያታዪምን ሲብማን እታ ኣብቲ ኣብ ለሰ ዘሎ ኸረን ዘላ ጸሬትሻሓር ድማ፡ 20ቤትጴዖርን ጎቦታት ጲስጋንን፡ ቤትየሺሞትን፡ 21ኵለን ከተማታት ጐልጌልን ብዘላ መንግስቲ እቲ ኣብ ሔስቦን ነጊሱ ዝነበረ ሲሆን ንጉስ ኣሞራውያንን ምስቶም ሹማምቲ ሚድያን፡ ኤዊን ረቀምን ጹርን ሑርን ሬባን፡ እቶም ኣብታ ሃገር ዝነበሩ ሹማምቲ ሲሆን፡ ሙሴ ዝወቕዖም። 22ንበላዓም ጠንቋሊ ወዲ ቤዖር ድማ ምስቶም ካልኦት ቅቱላቶም ደቂ እስራኤል ብሴፍ ቀተልዎ። 23ዶብ ደቂ ሮቤል ድማ ዮርዳኖስን ዶቡን ነበረ። ርስቲ ደቂ ሮቤል ከከም ዓሌቶም፡ ከተማታትን ዓድታተንን እዚ እዩ። 
   24ንነገድ ጋድ ድማ፡ ንደቂ ጋድ ከከም ዓሌቶም ሙሴ ሃቦም። 25ዶቦም ከኣ ያዕዜርን ኵለን ከተማታት ጊልዓድን ፈረቓ ምድሪ ደቂ ኣሞን ድማ ክሳዕ እታ ኣብ መንጽር ራባ ዘላ ዓሮዔር ነበረ። 26ካብ ሔስቦን ድማ ክሳዕ ራማትሚጽጴን በጦኒምን፡ ካብ መሃናይም ከኣ ክሳዕ ዶብ ደቢር፡ 27ኣብቲ ለሰ ድማ፡ ቤትሃራምን ቤትኒምራን ሱኰትን ጻፎንን፡ እቲ ተረፍ መንግስቲ ሲሆን፡ ንጉስ ሔስቦን፡ እቲ ዶብ ድማ ዮርዳኖስ እዩ ኽሳዕ ወሰን ባሕሪ ኪነረት፡ ስግር ዮርዳኖስ ብምብራቑ። 28ርስቲ ደቂ ጋድ ከከም ዓሌቶም ከተማታት ምስ ዓድታተን እዚ እዩ። 
   29ንፈረቓ ነገድ ምናሴውን ሙሴ ርስቲ ሃቦም፡ ንሱ ኸኣ ንፈረቓ ነገድ ደቂ ምናሴ ከከም ዓሌቶም ኰነ። 30ዶብም ከኣ ካብ መሃናይም ብዘሎ ባሳን፡ ብዘሎ መንግስቲ ዖግ ንጉስ ባሳን፡ ኵለን ዓድታት ናይታ ኣብ ባሳን ዘላ ያኢር፡ ስሳ ኸተማታት፡ 31ፈረቓ ጊልዓድ ድማ፡ ኣስታሮትን ኤድሬዒን፡ ከተማታት መንግስቲ ዖግ ኣብ ባሳን፡ ንደቂ ማኪር ወዲ ምናሴ ንፈረቓ ደቂ ማኪር ከከም ዓሌቶም ኰነ። 
   32እተን ኣብ ስግር ዮርዳኖስ፡ ብወገን ምብራቓ ንያሪኮ፡ ኣብ ጐልጐል ሞኣብ፡ ሙሴ ዘረስተዮም፡ እዚኣተን እየን። 33ንነገድ ሌዊ ግና፡ ከምቲ ዝበሎም፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል እዩ ርስቶም እሞ፡ ሙሴ ርስቲ ኣይሃቦምን።

        መ. እያሱ  ምዕራፍ 14           

   1እተን ደቂ እስራኤል ኣብ ምድሪ ኸነኣን ዝወረስወን፡ እሞ እቲ ኻህን ኣልኣዛርን እያሱ ወዲ ነዌን እቶም ርእስታት ነቦታት ነገዳት ደቂ እስራኤልን ዘውረስዎም፡ እዚኣተን እየን፡ 2ከምቲ እግዚኣብሄር ብኢድ ሙሴ ዝኣዘዞ፡ ንትሽዓተ ነገድን ንፈረቓ ነገድን ረርስቶም ብዕጭ ከፈሎም። 3ነቶም ክልተ ነገድን ንፈረቓ ነገድንሲ ሙሴ ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ርስቲ ሂብዎም ነበረ፡ ንሌዋውያን ግና ኣብ መንጎኦም ርስቲ ኣይሃቦምን። 4ደቂ ዮሴፍ ክልተ ነገድ፡ ምናሴን ኤፍሬምን ነበሩ እሞ፡ ንሌዋውያን ግና፡ ብጀካ እተን ዝነብሩለን ከተማታት ምስተን ንኸብቶምን ንጥሪቶምን ዝዀና ኸበብተን፡ ኣብታ ምድሪ ግደ ኣይሃቦምን። 5ደቂ እስራኤል፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ ከምኡ ገበሩ፡ ነታ ምድሪ ተማቐልዋ። 
   6ደቂ ይሁዳ ድማ ኣብ ጊልጋል ናብ እያሱ ቐረቡ፡ ካሌብ፡ ወዲ የፋነ እቲ ቀኔዛዊ፡ ከኣ በሎ፡ እግዚኣብሄር ንሙሴ፡ ነቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ኣብ ቃዴስባርኔዓ ብዛዕባይን ብዛዕባኻን ዝበሎ፡ ንስኻ ትፈልጥ ኣሎኻ። 7እቲ ሙሴ ባርያ እግዚኣብሄር፡ ነታ ምድሪ ኽስሊ፡ ካብ ቃዴስባርኔዓ ኽሰደኒ ኸሎ፡ ኣነ ወዲ ኣርብዓ ዓመት ነበርኩ እሞ ከምቲ ኣብ ልበይ ዝነበረ ቓል መለስኩሉ። 8እቶም ምሳይ ደዪቦም ዝነበሩ ኣሕዋተይ ንልቢ እቲ ህዝቢ ኣሸበርዎ፡ ኣነ ግና ንእግዚኣብሄር ኣምላኸይ ፈጺመ ሰዓብክዎ። 9ሙሴ ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኸይ ፈጺምካ ስለ ዝሰዓብካዮ፡ እታ እግርኻ ዝረገጸታ ምድሪ ንኣኻን ንደቅኻን ንዘለኣለም ርስቲ ትኹን፡ ኢሉ መሓለ። 10ሕጂ ድማ እንሆ፡ እቲ እስራኤል ኣብ በረኻ ኽመላለስ ከሎ፡ እግዚኣብሄር ንሙሴ እዚ ቓል እዚ ኻብ ዝነግሮ፡ ከምቲ ዝበሎ፡ እግዚኣብሄር እዘን ኣርብዓን ሓሙሽተን ዓመት ብህይወት ኣጽንሓኒ። ሕጂ ኸኣ እንሆ፡ ኣነ ሎሚ ወዲ ሰማንያን ሓሙሽተን ዓመት ኰይነ ኣሎኹ። 11ከምታ ሙሴ ኽልእከኒ መዓልቲ፡ ሎሚ ኸኣ ሓይለይ ከምኡ ኣሎ፡ ንውግእ ኰነ፡ ንምውጻእ ኰነ፡ ንምእታው ኰነ፡ ሓይለይ ከምቲ ሽዑ ዝነበሮ፡ ሕጂ ሓይለይ ከምኡ ኣሎ። 12ሕጂ ኸኣ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር በታ መዓልቲ እቲኣ እተዛረቦ፡ እዚ ኸረን እዚ ሃበኒ። ዓናቃውያንን ዓበይትን ዕሩዳትን ከተማታት ድማ ከም ዘለውዋ፡ ንስኻ በታ መዓልቲ እቲኣ ሰሚዕካ ኢኻ እሞ፡ ምናልባሽ እግዚኣብሄር ምሳይ ይኸውን፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ኸኣ፡ ክሰጎም እየ። 
   13እያሱ ድማ ንካሌብ ወዲ የፋነ መረቖ፡ ኬብሮን ከኣ ንርስቲ ሃቦ። 14ካሌብ፡ ወዲ የፋነ እቲ ቄኔዛዊ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ፈጺሙ ስለ ዝሰዓቦ፡ ኬብሮን ክሳዕ ሎም መዓልቲ ርስቱ ዀነት። 15ቀደም ስም ኬብሮን ቂርያት-ኣርባ ነበረ። ኣርባ እቲ ኣብ ማእከል ዓናቃውያን ዝዓበየ ዝነበረ ሰብኣይ እዩ። እታ ሃገር ድማ ካብ ውግእ ዓረፈት።

        መ. እያሱ  ምዕራፍ 15 

   1ንነገድ ደቂ ይሁዳ ኸከም ዓሌቶም፡ ክሳዕ ዶብ ኤዶም፡ ናብ ወገን ደቡብ ዘብል በረኻ ሲን፡ ክሳዕ ወሰን ደቡብ ዕጭ በጽሖም። 2እቲ ናይ ደቡብ ዶቦም ድማ ካብ ወሰን ባሕሪ ጨው፡ ካብቲ ንደቡብ ዘብል ልሳን ነበረ፡ 3ንዓቐበት ዓቅራቢም ናብ ደቡቡ ወጺኡ፡ ንሲን ከኣ ሓሊፉ፡ ንቃዴስባርኔዓ ብደቡባ ደዪቡ፡ ንሔጽሮን ሓሊፉ ድማ ንኣዳር ይድይብ ናብ ቃርቃዓ ኣቢሉ ከኣ ይዘውር። 4ንዓጽሞን ኣቢሉ ድማ ይሓልፍ፡ ናብ ርባ ግብጺ ይወጽእ። እቲ ዶብ ከኣ ናብ ባሕሪ ይወጽእ። ናይ ደቡብ ዶብኩም እዚ ይኹን። 
   5ናይ ምብራቕ ዶብ ድማ ባሕሪ ጨው ክሳዕ መወዳእታ ዮርዳኖስ እዩ፡ ናይ ሸነኽ ሰሜን ዶብ ድማ ካብ ልሳን ባሕሪ ኣብ መወዳእታ ዮርዳኖስ እዩ። 6እቲ ዶብ ከኣ ንቤትሖግላ ይድይብ እሞ ብሰሜን ቤትዓራባ ይሓልፍ፡ እቲ ዶብ ድማ ናብ እምኒ ቦሃን ወዲ ሮቤል ይድይብ። 7እቲ ዶብ ከኣ ካብ ለሰ ዓኰር ናብ ደቢር ይድይብ፡ ከምኡ ኸኣ ናብ ሴሜን፡ ንጊልጋል ኣቢሉውን ይጥምት፡ ንሱ ኸኣ ኣብ መንጽር እቲ ኣብ ሸነኽ ደቡቡ ነቲ ርባ ዘሎ ዓቐበት ኣዱሚም እዩ፡ እቲ ዶብ ድማ ንማይ ዔንሸመሽ ይሓልፍ፡ ናብ ዔንሮጌል ይወጽእ። 8እቲ ዶብውን በቲ ለሰ ወዲ ሂኖም ገይሩ፡ ናብ ጸግዒ ደቡብ እታ ይቡሳዊ፡ ንሳ ኸኣ የሩሳሌም፡ ይድይብ። እቲ ዶብ ድማ ናብ ሸነኽ ምዕራብ፡ ኣብ ሴሜናይ ወሰን ለሰ ረፋይም ናብ ርእሲ እቲ ኣብ ቅድሚ ለሰ ሂኖም ዘሎ ኸረን ይድይብ። 9ካብ ርእሲ እቲ ኸረን ከኣ እቲ ዶብ ናብ ዓይኒ ማይ ነፍቶኣ ይሓልፍ፡ ናብ ከተማታት ከረን ዔፍሮንውን ይወጽእ፡ እቲ ዶብ ከኣ ናብ በዓላ፡ ንሳ ቂርያትየዓሪም፡ ይዘውር። 10ካብ በዓላ ንምዕራብ ድማ እቲ ዶብ ንኸረን ሰዒር ይዘውር፡ ናብ ሰሜናይ ጸግዒ ኸረን የዓሪም ከኣ ይሓልፍ፡ ንሱ ኽሳሎን እዩ፡ ንቤትሸመሽ ወሪዱ ድማ ናብ ቲምና ይሓልፍ። 11እቲ ዶብ ከኣ ብሰሜን ጸግዒ ዔቅሮን ይወጽእ። እቲ ዶብውን ናብ ሺክሮን ኣቢሉ ይዘውር፡ ብኸረን በዓላ ድማ ይሓልፍ፡ ናብ ያብንኤል ይወጽእ፡ እቲ ዶብ ከኣ ናብ ባሕሪ ይወጽእ። 
   12እቲ ናይ ምዕራብ ዶብ ድማ ዓብዪ ባሕርን ዶቡን እዩ። ዶብ ደቂ ይሁዳ ከከም ዓሌቶም ብዙርያኡ እዚ እዩ። 
   13ንካሌብ ወዲ የፋነ ድማ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ንእያሱ ዝኣዘዞ፡ ኣብ ማእከል ደቂ ይሁዳ ግደ ሃቦ፡ ቂርያትኣርባ፡ ኣቦ ዓናቅ፡ ንሳ ኬብሮን እያ። 14ካሌብ ድማ ንሰለስቲኦም ደቂ ዓናቅ፡ ንሸሻይን ንኣሂማንን ንታልማይን፡ ወለዶ ዓናቅ ካብኣ ኣውጽኦም 15ካብኣ ናብቶም ኣብ ደቢር ዝነብሩ ደየበ። ስም ደቢር ከኣ ቀደም ቂርያትሴፈር ነበረ። 16ካሌብ ድማ፡ ነቲ ንቂርያትሴፈር ተዋጊኡ ዝሓዛ፡ ዓክሳ ጓለይ ሰበይቲ ኽትኰኖ ኽህቦ እየ፡ በለ። 17ሽዑ ዖትኒኤል፡ ወዲ ቄናዝ ሓው ካሌብ፡ ሓዛ እሞ ዓክሳ ጓሉ ሰበይቲ ኽትኰኖ ሃቦ። 18ኰነ ኸኣ፡ ምስ መጸት፡ ካብ ኣቦኣ ግራት ክልምን መኸረቶ፡ ካብ ኣድጋ ኸኣ ወረደት። ካሌብ ድማ፡ እንታይ ኴንኪ፧ በላ። 19ንሳ ኸኣ፡ በረኸት ሃበኒ፡ ምድሪ ደቡብ ሂብካኒ ኢኻ እሞ ዓይኒ ማያት ከኣ ሃበኒ፡ በለት። ንሱ ድማ ላዕላይ ዓይኒ ማያትን ታሕታይ ዓይኒ ማያትን ሃባ። 20ርስቲ ነገድ ደቂ ይሁዳ ከከም ዓሌቶም እዚ እዩ፡ 21እተን ብወገን ደቡብ ናብ ዶብ ኤዶም ዘብላ ወሰኖት ከተማታት ነገድ ደቂ ይሁዳ ድማ፡ እዚኣተን እየን፡ ቃብጽኤልን ዔደርን ያጉርን፡ 22ቂናን ዲሞናን ዓድዓዳን፡ 23ቄዴሽን ሓጾርን ዪትናን፡ 24ዚፍን ጤለምን በዓሎትን፡ 25ሓጾርሓዳታን ቄሪዮትሔጽሮንን፡ ንሳ ሓጾር እያ፡ 26ኣማምን ሸማዕን ሞላዳን፡ 27ሓጻርጋዳን ሔሽሞንን ቤትጰለጥን፡ 28ሓጾርሹዓልን ብኤርሸባዕን ቢዝዮትያን፡ 29በዓላን ዒዪምን ዓጸምን፡ 30ኤልቶላድን ኬሲልን ሖርማን፡ 31ጺቅላግን ማድማናን ሳንሳናን፡ 32ልባኦትን ሺልሂምን ዓዪንን ሪሞንን፡ ኵለን ዕስራን ትሽዓተን ከተማ ምስ ዓድታተን። 
   33ኣብ ቈላ፡ ኤሽታኦልን ጾርዓን ኣሽናን፡ 34ዛኖኣን ዔንጋኒምን ታጱኣን ዔናምን፡ 35ያርሙትን ዓዱላምን ሶኮን ዓዜቃን 36ሻዓራይምን ዓዲታይምን ግዴራን ግዴሮታይምን፡ ዓሰርተው ኣርባዕተ ኸተማ ምስ ዓድታተን። 
   37ጽናን ሓዳሻን ሚግዳልጋድን፡ 38ዲልዓንን ሚጽጴን ዮቅትኤልን፡ 39ላኪሽን ቦጽቃትን ዓግሎንን፡ 40ካቦንን ላሕማስን ኪትሊሽን፡ 41ግዳሮትን ቤትዳጎንን ናዓማን ማቄዳን፡ ዓሰርተው ሹዱሽተ ኸተማ ምስ ዓድታተን። 
   42ሊብናን ዔተርን ዓሻንን፡ 43ዪፍታሕን ኣሽናን ንጺብን፡ 44ቅዒላን ኣክዚብን ማሬሻን፡ ትሽዓተ ኸተማ ምስ ዓድታተን። 
   45ዔቅሮን ምስ ከተማታታን ዓድታታን። 46ካብ ዔቅሮን ክሳዕ ባሕሪ፡ ኣብ ጥቓ ኣሽዶድ ዘለዋ ዅለን ምስ ዓድታተን። 
   47ኣሽዶድ ምስ ከተማታታን። ጋዝ ምስ ከተማታታን ዓድታታን ክሳዕ ርባ ግብጽን ክሳዕ ዓብዪ ባሕርን ዶቡን። 
   48ኣብ ከረን ድማ፡ ሻሚርን ያቲርን ሶኮን፡ 49ዳናን ቂርያትሳናን፡ ንሳ ደቢር እያ፡ 50ዓናብን ኤሽትሞን ዓኒምን፡ 51ጐሼንን ሖሎንን ጊሎን፡ ዓሰርተው ሓደ ኸተማ ምስ ዓድታተን። 
   52ኣራብን ዱማን ኣሼዓንን፡ 53ያኑምን ቤት-ታጱኣን ኣፌቃን፡ 54ሑምታን ቂርያት-ኣርባን፡ ንሳ ኬብሮን እያ፡ ጺዖርን፡ ትሽዓተ ኸተማ ምስ ዓድታተን። 
   55ማዖንን ካርሜልን ዚፍን ዮጣን፡ 56ይዝርኤልን ዮቅድዓምን ዛኖኣን፡ 57ቃዪንን ጊብዓን ቲምናን፡ ዓሰርተ ኸተማ ምስ ዓድታተን።
   58ሓልሑልን ቤትጹርን ግዶርን፡ 59ማዓራትን ቤትዓኖትን ኤልትቆንን፡ ሹድሽተ ኸተማ ምስ ዓድታተን። 
   60ቂርያት-በዓል፡ ንሳ ቂርያት-ይዓሪም እያ፡ ራባውን፡ ክልተ ኸተማ ምስ ዓድታተን። 61ኣብ በረኻ ቤትዓራባን ሚዲንን ስካካን፡ 62ኒብሻንን ዒርሃመላሕን ዔንጌዲን፡ ሹድሽተ ኸተማ ምስ ዓድታተን። 63ነቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ይቡሳውያን ግና፡ ደቂ ይሁዳ ኸውጽእዎም ኣይከኣሉን። ስለዚ ይቡሳውያን ክሳዕ ሎሚ መዓልቲ ምስ ደቂ ይሁዳ ኣብ የሩሳሌም ይነብሩ ኣለዉ።

        መ. እያሱ  ምዕራፍ 16            

   1እቲ ዕጫ ደቂ ዮሴፍ ድማ ካብ ዮርዳኖስ ጥቓ ያሪኮ ብወገን ምብራቑ ንማይ ያሪኮ፡ ካብ ያሪኮ ድማ በቲ ናብ ከረን ቤትኤል ዘደይብ በረኻ ወጸሎም። 2ካብ ቤትኤል ናብ ሉዝ ወጺኡ ኸኣ፡ ብዶብ ኣርካውያን ገይሩ ናብ ዓጣሮት ይሓልፍ። 3ብምዕራብ ከኣ ዶብ ያፍለጣውያን ክሳዕ ዶብ ታሕታይ ቤትሖሮንን ክሳዕ ጌዘርን ይወርድ፡ ናብ ባሕሪ ድማ ይወጽእ። 4ደቂ ዮሴፍ፡ ምናሴን ኤፍሬምን፡ ድማ ርስቶም ወሰዱ። 
   5ዶብ ደቂ ኤፍሬም ከከም ዓሌቶም እዚ እዩ፡ ዶብ ርስቶም ብምብራቕ ዓጣሮትኣዳር ክሳዕ ላዕላይ ቤትሖሮን እዩ። 6እቲ ዶብ ብወገን ምዕራብ ከኣ ንሰሜን ሚክመታት ይወጽእ፡ እቲ ዶብ ድማ ንምብራቕ ኣቢሉ ናብ ታኣናትሺሎ ዞይሩ ናብ ምብራቕ ያኖኣ ይሓልፍ። 7ካብ ያኖኣ ኸኣ ናብ ዓጣሮትን ናብ ናዓራን ይወርድ፡ ናብ ያሪኮ በጺሑ፡ ናብ ዮርዳኖስ ይወጽእ። 8-9ካብ ታጱኣ እቲ ዶብ ንምዕራብ ኣቢሉ ኽሳዕ ርባ ቃና ሓሊፉ ናብ ባሕሪ ይወጽእ። ምስተን ኣብ ማእከል ርስቲ ደቂ ቃናሴ ዘለዋ ንደቂ ኤፍሬም እተፈልያ ኸተማታት፡ ኵለን ከተማታት ምስ ዓድታተን፡ ርስቲ ነገድ ደቂ ኤፍሬም ከከም ዓሌቶም እዚኣተን እየን። 10ንሳቶም ግና ነቶም ኣብ ጌዘር ዝነብሩ ኸነኣናውያን ክሳዕ ሎሚ ኣብ ማእከል ደቂ ኤፍሬም ይቕመጡ ኣለዉ፡ ገባሮም ከኣ ኰኑ።

        መ. እያሱ  ምዕራፍ 17            

   1ንነገድ ምናሴ ድማ፡ በዅሪ ዮሴፍ እዩ እሞ፡ ዕጩ እዚ እዩ፡ ማኪር፡ በዅሪ ምናሴ ኣቦ ጊልዓድ፡ ተዋጊኢ ሰብኣይ ነበረ እሞ፡ ጊልዓድን ባሳንን ንእኡ ዀና። 2ነቶም ዝተረፋ ደቂ ምናሴ ድማ ከከም ዓሌቶም ዕጭ በጽሖም፡ ንደቂ ኣቢዔዘርን ንደቂ ሔለቅን ንደቂ ኣስሪኤልን ንደቂ ሴኬምን ንደቂ ሔፈርን ንደቂ ሸሚዳን፡ ተባዕትዮ ደቂ ምናሴ ወዲ ዮሴፍ፡ ከከም ዓሌቶም እዚኣቶም እዮም። 3ግናኸ ጸሎፈሓድ፡ ወዲ ሔፈር ወዲ ጊልዓድ ወዲ ማኪር ወዲ ምናሴ፡ ኣዋልድ ጥራይ እምበር፡ ኣወዳት ኣይነበርዎን፡ ስም እተን ኣዋልዱ ከኣ እዚ እዩ፡ ማሕላ፡ ኖዓ፡ ሖግላ፡ ሚልካ፡ ቲርጻ። 4ኣብ ቅድሚ ኻህን ኣልኣዛርን ኣብ ቅድሚ እያሱ ወዲ ነዌን ኣብ ቅድሚ ሹማምትን ቀሪበን፡ እግዚኣብሄር ንሙሴ ኣብ ማእከል ኣሕዋትና ርስቲ ኽህበና ኣዚዝዎ እዩ፡ በላ። ከምቲ ትእዛዝ እግዚኣብሄር ከኣ ኣብ ማእከል ሓወቦታተን ርስቲ ሃበን። 5-6እተን ኣዋልድ ምናሴ ኣብ ማእከል እቶም ደቁ ርስቲ ስለ ዝወረሳ፡ ንምናሴ ብዘይ እታ ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ዘላ ምድሪ ጊልዓድን ባሳንን፡ ዓሰርተ ዕጭ ወደቐሉ። ምድሪ ጊልዓድ ከኣ ነቶም ዝተረፉ ደቂ ምናሴ ዀነት። 
   7ዶብ ምናሴ ድማ ካብ ኣሴር ናብታ ኣብ መንጽር ሴኬም ዘላ ሚክሜታት ኰነ። እቲ ዶብ ከኣ ንየማን ኣቢሉ ናብቶም ኣብ ዔንታጱኣ ዝነብሩ ይሓልፍ። 8ምድሪ ታጱኣ ንምናሴ ዀነት፡ እታ ኣብ ዶብ ምናሴ ዘላ ታጱኣ ግና ንደቂ ኤፍሬም ኰነት። 9እቲ ዶብ ከኣ ናብ ርባ ቃና ብደቡብ እቲ ርባ ይወርድ። እዘን ከተማታት እዚአን፡ ኣብ ማእከል ከተማታት ምናሴ ኽነሰን፡ ንኤፍሬም ኰና፡ ዶብ ምናሴ ድማ ብሰሜን እቲ ርባ እዩ፡ ናብ ባሕሪ ኣቢሉ ኸኣ ይወጽእ። 10ደቡብ ንኤፍሬም፡ ሰሜን ድማ ንምናሴ ዀነ፡ ዶቡ ኸኣ ባሕሪ እዩ። ብሰሜን ናብ ኣሴር ብምብራቕ ከኣ ናብ ይሳኮር ይበጽሕ። 11ድማ ኣብ ይሳኮርን ኣብ ኣሴርን፡ ቤትሸኣንን ዓድታታን፡ ዪብልዓምን ዓድታታን ድማ፡ ኣብ ዶር ዝነብሩን ዓድታታን፡ ኣብ ዔንዶር ዝነብሩን ዓድታታን፡ ኣብ ታዓናክ ዝነብሩን ዓድታትን፡ ኣብ መጊዶ ዝነብሩን ዓድታትን፡ ሰለስቲአን በረኽቲ ንምናሴ ዀኖ። 12ግናኸ ደቂ ምናሴ ንሰብ እዘን ከተማታት እዚአን ከውጽእዎም ኣይከኣሉን እሞ፡ ከነኣናውያን ኣብታ ሃገር ክቕመጡ ቘረጹ። 13ኰነ ኸኣ፡ ደቂ እስራኤል ምስ ሓየሉ፡ ነቶም ከነኣናውያን ኣገበርዎም እምበር፡ ኣይሰጐጕዎምን። 
   14ደቂ ዮሴፍ ድማ ንእያሱ፡ ብዙሕ ህዝቢ ኽሳዕ ዝኸውን እግዚኣብሄር ክሳዕ ክንድዚ ባሪኹኒ ኸሎስ፡ ስለምንታይ ኢኻ ሓደ ዕጭን ሃደ ኽፍልን ጥራይ ርስቲ ዝሃብካኒ፧ ኢሎም ተዛረብዎም። 15እያሱ ኸኣ፡ ብዙሕ ህዝቢ እንተ ዄንካ እሞ ከረን ኤፍሬም እንተ ደኣ ጸበባካ፡ ኣብ ምድሪ ፈረዛውያንን ረፋይምን ናብ ዘሎ ዱር ደይብ፡ ኣብኡ ኸኣ ንኣኻ ልበድ፡ በሎም። 16ደቂ ዮሴፍ ድማ፡ እቲ ኸረን ኣይኣኽለናን፡ እቶም ኣብ ምድሪ ለሰ ዝነብሩ ኸነኣናውያን፡ እቶም ኣብ ቤትሸአንን ኣብ ዓድታታን ዝነብሩ ዀነ፡ ኣብ ለሰ ይዝርኤል ዝነብሩ ዀነ፡ ኵላቶም ሰረገላታት ሓጺን ኣለዎም፡ በሉ። 17እያሱ ኸኣ ንቤት ዮሴፍ፡ ንኤፍሬምን ንምናሴን፡ ንስኻ ብዙሕ ህዝቢ ኢኻ፡ ዓብዪ ሓይሊውን ኣሎካ፡ ሓደ ጥራይ ኣይኹነልካ፡ 18እቲ ኸረን ድማ ንኣኻ ይኹን፡ ዱር ክነሱ፡ ልበዶ እሞ ብዘሎ ናትካ ክኸውን እዩ። ነቶም ከነኣናውያን ከኣ፡ ሰረገላ ሓጺን እኳ እንተለዎም ሓያላትውን እንተ ዀኑ፡ ከተውጽኦም ኢኻ፡ ኢሉ ተዛረቦም።

        መ. እያሱ  ምዕራፍ 18            

   1ብዘሎ እቲ ኣኼባ ደቂ እስራኤል ድማ ኣብ ሺሎ ተኣከበ፡ ነቲ ድንኳን ምርኻብ ከኣ ኣብኣ ተኸልዎ። እታ ሃገር ድማ ተገዝኣትሎም። 
   2ካብ ደቂ እስራኤል ሾብዓተ ነገድ ርስቶም ዘይተመቕሉ ተሪፎም ነበሩ። 3እያሱ ኸኣ ንደቂ እስራኤል በሎም፡ ነዛ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትኩም ዝሃበኩም ምድሪ ኼድኩም፡ ንምውራሳ ኽሳዕ መኣዝ ኢኹም ሸለል እትብሉ፡ 4ከካብ ነገድኩም ሰለስተ ሰብኣይ ሕረዩ፡ ኣነ ኸኣ ክልእኮም እየ፡ ተንሲኦም ድማ ነታ ሃገር ከይዶም ከከም ርስቶም ጽሒፎም፡ ናባይ ይምጽኡ። 5ኣብ ሾብዓተ ኽፍሊ ከኣ ይምቀልዋ፡ ይሁዳ ኣብ ዶቡ ብወገን ደቡብ ይቀመጥ። ቤት ዮሴፍውን ኣብ ዶቦም ብወገን ሰሜን ይቀመጡ። 6ነታ ምድሪ ኸኣ ንስኻትኩም ኣብ ሾብዓተ ኽፍሊ ጽሒፍኩም፡ ናብዚ ናባይ ኣምጽኡለይ፡ ኣነ ድማ ኣብዚ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዕጭ ከውድቐልኩም። 7እቶም ሌዋውያን ግና፡ ርስቶም ክህነት እግዚኣብሄር እዩ እሞ ኣብ ማእከልኩም ግደ የብሎምን። ጋድን ሮቤልን ፈረቓ ነገድ ምናሴን ድማ እቲ ሙሴ ባርያ እግዚኣብሄር ዝሃቦም ርስቶም ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ብወገን ምብራቕ ወሲዶም ኣለዉ። 
   8እቶም ሰባት ድማ ተንሲኦም ከዱ፡ እያሱ ኸኣ ነቶም ነታ ምድሪ ኽጽሕፍዋ ዝኸዱ፡ ኬድኩም ነታ ምድሪ እናዞርኩም ጽሓፍዋ፡ ናባይ ድማ ተመለሱ፡ ኣነ ኸኣ ኣብዚ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ሺሎ ዕጭ ከውድቐልኩም እየ፡ ኢሉ ኣዘዞም። 9እቶም ሰባት ከኣ ኸይዶም በታ ሃገር ሓሊፉ፡ ከምተን ከተማታት ድማ ኣብ ሾብዓተ ኽፍሊ መቒሎም፡ ኣብ መጽሓፍ ጸሓፍዋ፡ ናብቲ ሰፈር ኣብ ሺሎ ኸኣ ናብ እያሱ መጹ። 10እያሱ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ሺሎ ዕጭ ኣውደቐትሎም እሞ ኣብኡ እያሱ ነታ ሃገር ንደቂ እስራኤል ከከም ክፍልታቶም ገይሩ መቐሎም። 
   11ንነገድ ደቂ ብንያም ከከም ዓሌቶም ዕጭ ወጸሎም። ዶብ ዕጮም ከኣ ኣብ መንጎ ደቂ ይሁዳን ደቂ ዮሴፍን ወጸሎም። 12እቲ ዶቦም ብወገን ሰሜን ድማ ካብ ዮርዳኖስ እዩ፡ እቲ ዶብ ከኣ ብሰሜናይ ጸግዒ ያሪኮ ደየበ፡ ነቲ ኸረን ድማ ብምዕራቡ ደዪቡ ናብ በረኻ ቤትኣዌን ይወጽእ። 13ካብኡ ኸኣ እቲ ዶብ ናብ ሉዝ፡ ናብቲ ደቡብ ጸግዒ ሉዝ፡ ንሳ ኸኣ ቤትኤል፡ ይሓልፍ። እቲ ዶብ ድማ በቲ ኣብ ደቡብ ታሕተይቲ ቤትሖሮን ዘሎ ኸረን ኣቢሉ ናብ ዓጣሮትኣዳር ይወርድ። 14እቲ ዶብ ድማ ቀጺሉ ኻብቲ ኣብ መንጽር ቤትሖሮን ብደቡቡ ዘሎ ኸረን ብወገን ምዕራብ ኣቢሉ ንደቡብ ይዘውር። ናብ ቂርያትበዓል፡ ንሳ ኸኣ ቂርያትየዓሪም፡ ናብ ከተማ ደቂ ይሁዳ ይወጽእ። እዚ ወገን ምዕራቡ እዩ። 15ወገን ደቡብ ድማ ካብ ወሰን ቂርያትየዓሪም እዩ፡ እቲ ዶብ ከኣ ንምዕራብ ኣቢሉ ይወጽእ፡ ናብ ዓይኒ ማይ ነፍቶኣ ድማ ይወጽእ። 16እቲ ዶብ ከኣ ናብ ወሰን እቲ ኣብ መንጽር ለሰ ወዲ ሂኖም ዘሎ ኸረን ይወርድ፡ ንሱ ኸኣ ንለሰ ረፋይም ኣብ ሰሜኑ እዩ። ድማ ናብ ለሰ ሂኖም ናብ ጸግዒ ደቡብ ይቡሳውያን ይወርድ፡ ናብ ዔንሮጌል ከኣ ይወርድ። 17ወሲኹ ድማ ንሰሜን ኣቢሉ ናብ ዔንሸመሽ ይወጽእ፡ ናብቲ ኣብ መንጽር ዓቐበት ኣዱሚም ዘሎ ገሊሎት ወጺኡ ኸኣ፡ ናብ እምኒ ቦሃን ወዲ ሮቤል ይወርድ። 18ድማ ነቲ ኣብ መንጽር ጸግዒ ሰሜን ዓራባ ዘሎ ሓሊፉ፡ ናብ ዓራባ ይወርድ። 19እቲ ዶብ ከኣ ብጸግዒ ሰሜን ቤትሖግላ ይሓልፍ፡ ካብኣ እቲ ዶብ ናብ ናይ ሰሜን ልሳን ባሕሪ ጨው ኣብ ደቡብ ወሰን ዮርዳኖስ ይወጽእ። ናይ ደቡብ ዶቡ እዚ እዩ። 20ብወገን ምብራቕ ከኣ ዶቡ ዮርዳኖስ እዩ። ርስቲ ደቂ ብንያም ከከም ዓሌቶም ምስ ዶቡ ብዙርያኡ እዚ እዩ። 
   21ከተማታት ነገድ ደቂ ብንያም ከከም ዓሌቶም ድማ እዚኣተን እየን፡ ያሪኮን ቤትሖግላን ኤሜቅቀጺጽን፡ 22ቤትዓራባን ጸማራዪምን ቤትኤልን፡ 23ዓዊምን ጳራን ዖፍራን፡ 24ኬፋርዓሞናይን ዖፍኒን ገባዕን፡ ዓሰርተው ክልተ ኸተማ ምስ ዓድታተን። 25ጊብዖንን ራማን ብኤሮትን፡ 26ሚጽጴን ኬፊራን ሞጻን፡ 27ሬቀምን ዪርጰኤልን ታርኣላን፡ 28ጼላን ኤሌፍን ይቡሲን፡ ንሳ ኸኣ የሩሳሌም እያ፡ ጊብዓትን ቂርያትን፡ ዓሰርተው ኣርባዕተ ኸተማ ምስ ዓድታተን። ርስቲ ደቂ ብንያም ከከም ዓሌቶም እዚ እዩ።

        መ. እያሱ  ምዕራፍ 19  

   1እቲ ኻልኣይ ዕጭ ድማ ንስምኦን፡ ንነገድ ደቂ ስምኦን ከከም ዓሌቶም ወጸሎም። እቲ ርስቶም ከኣ ኣብ ማእከል ርስቲ ደቂ ይሁዳ ነበረ። 2ኣብ ርስቶም ዝዀና ኸኣ፡ ብኤርሻባዕን ሸባን ሞላዳን፡ 3ሓጻርሹዓልን ባላን ዓጸምን፡ 4ኤልቶላድን በቱላን ሖርማን፡ 5ጲቅላግን ቤትማርከቦትን ሓጻርሱሳን፡ 6ቤትለባኦትን ሻሩሔንን፡ ዓሰርተው ሰለስተ ኸተማ ምስ ዓድታተን፡ 7ዓዪንን ሪሞንን ዔተርን ዓሻንን፡ ኣርባዕተ ኸተማ ምስ ዓድታተን። 8ኣብ ዙርያ እዘን ከተማታት እዚአን ክሳዕ በዓላት-ብኤር፡ ንሳ ኸኣ እታ ናይ ደቡብ ራማ፡ ዘለዋ ዅለን ዓድታት። ርስቲ ነገድ ደቂ ስምኦን ከከም ዓሌቶም እዚ እዩ። 9ርስቲ ደቂ ስምኦን ካብ ግደ ደቂ ይሁዳ ዀነ፡ ግደ ደቂ ይሁዳ ንኣታቶም እምብዛ ገፊሕዎም ነበረ እሞ፡ ስለዚ ደቂ ስምኦን ኣብ ማእከል ርስቲ እቲኣቶም ተረስተዩ። 
   10እቲ ሳልሳይ ዕጭ ድማ ንደቂ ዛብሎን ከከም ዓሌቶም ወጸሎም። ዶብ ርስቶም ከኣ ክሳዕ ሳሪድ እዩ። 11ዶቦም ድማ ንምዕራብ ናብ ማርዓላ ኣቢሉ ይድይብ እሞ ናብ ዳበሸት ኣቢሉ ናብቲ ኣብ መንጽር ዮቅነዓም ዘሎ ርባ ይበጽሕ። 12ካብ ሳሪድ ከኣ ናብ ምብራቕ፡ ናብ ምብራቕ ጸሓይ ክሳዕ ዶብ ኪስሎትታቦር ይምለስ፡ ናብ ደብራት ወጺኡ ናብ ያፊዓ ድማ ይድይብ። 13ካብኣ ኸኣ ናብ ምብራቕ ኣቢሉ ናብ ጋትሔፈርን ናብ ዒታቃጺንን ይሓልፍ፡ ናብታ ናብ ኔዓ እትበጽሕ ሪሞን ይወጽእ። 14እቲ ዶብ ድማ ንእኣ ዞይሩ ብሰሜን ገይሩ ናብ ሓናቶን የብል ናብ ለሰ ይፍታሕኤል ከኣ ይወጽእ። 15ቃጣትን ናሃላልን ሺምሮንን ዪድኣላን ቤት-ልሄምን፡ ዓሰርተው ክልተ ኸተማ ምስ ዓድታተን። 16ርስቲ ደቂ ዛብሎን ከከም ዓሌቶም እዚ እዩ፡ እዘን ከተማታት እዚአን ምስ ዓድታተን። 
   17እቲ ራብዓይ ዕጭ ንይሳኮር፡ ንደቂ ይሳኮር ከከም ዓሌቶም ወጸሎም። 18ዶቦም ድማ ናብ ይዝርኤል ኬሱሎትን ሹነምን ይበጽህ። 19ናብ ሓፍራዪምን ሺኦንን ኣናሓራትን፡ 20ራቢትን ቂሽዮንን ኣቤጽን፡ 21ሬመትን ዔንጋኒምን ዔንሓዳን ቤትጳጼጽን። 22እቲ ዶብ ከኣ ናብ ታቦትን ሻሓጺማን ቤትሽመሽን ይበጽሕ። እቲ ዶቦም ድማ ናብ ዮርዳኖስ ይወጽእ፡ ዓሰርተው ሹድሽተ ኸተማ ምስ ዓድታተን። 23ርስቲ ነገድ ይሳኮር ከከም ዓሌቶም እዚ እዩ፡ እተን ከተማታት ምስ ዓድታተን። 
   24እቲ ሓምሳይ ዕጭ ከኣ ንነገድ ደቂ ኣሴር ከከም ዓሌቶም ወጸሎም። 25ዶቦም ድማ ሔልቃትን ሓሊን ቤጤንን ኣክሻፍን እዩ፡ 26ድማ ኣላመሌክን ዓምዓድን ምሽኣልን፡ ብወገን ምዕራብ ከኣ ናብ ካርሜልን ናብ ሺሖርሊብናትን ይበጽሕ። 27ንምብራቕ ጸሓይ ኣቢሉ ናብ ቤትዳጎን ይምለስ፡ ናብ ዛብሎንን ናብ ለሰ ይፍታሕኤል ኣብ ሰሜን ቤትዔመቅን ነዒኤልን በጺሑ፡ ብጸጋም ካቡል ይወጽእ። 28ድማ ናብ ዔብሮንን ናብ ሬሖብን ናብ ሓሞንን ናብ ቃናን ክሳዕ እታ ዓባይ ሲዶን ይበጽሕ። 29እቲ ዶብ ድማ ብራማ ኣቢሉ ኽሳዕ እታ እተዓርደት ከተማ ጢሮስ ይምለስ፡ እቲ ዶብ ከኣ ናብ ሖሳ ይምለስ እሞ ናብ ባሕሪ ምድሪ ኣክዚብ ይወጽእ። 30ድማ ዑማን ኣፌቅን ሬሖብን፡ ዕስራን ክልተን ከተማ ምስ ዓድታተን። 31ርስቲ ነገድ ደቂ ኣሴር ከከም ዓሌቶም እዚ እዩ፡ እዘን ከተማታት እዚአን ምስ ዓድታተን። 
   32እቲ ሳድሳይ ዕጭ ንደቂ ንፍታሌም፡ ንደቂ ንፍታሌም ከከም ዓሌቶም ወጸሎም። 33ዶቦም ድማ ካብ ሔሌፍን ካብታ ኣብ ጸዓናኒም ዘላ ኤሎንን ኣዳሚኔቈብን ያብነኤልን ክሳዕ ላቁም በጺሑ፡ ናብ ዮርዳኖስ ይወጽእ። 34እቲ ዶብ ድማ ንምዕራብ ኣቢሉ፡ ናብ ኣዝኖትታቦር ይምለስ፡ ካብኡ ኸኣ ናብ ሑቆት ይወጽእ እሞ ብደቡብ ናብ ዛብሎን ብምዕራብውን ናብ ኣሴር፡ ብምብራቕ ጸሓይ ድማ ናብ ይሁዳ ዮርዳኖስ ይበጽሕ። 35እተን እተዓርዳ ኸተማታት ድማ፡ ጺድምን ጼርን ሓማትን ራቃትን ኪነሬትን፡ 36ኣዳማን ራማን ሓጾርን፡ 37ቄዴሽን ኤድሬዒን ዔንሓጾርን፡ 38ዪርኦንን ሚግዳልኤልን ሖሬምን ቤትዓናትን ቤትሸመሽን፡ ዓሰርተው ትሽዓተ ኸተማ ምስ ዓድታተን እየን። 39ርስቲ ነገድ ደቂ ንፍታሌም ከከም ዓሌቶም እዚ እዩ፡ እዘን ከተማታት እዚአን ምስ ዓድታተን። 
   40እቲ ሳብዓይ ዕጭ ንነገድ ደቂ ዳን ከከም ዓሌቶም ወጸሎም። 41ዶብ ርስቶም ድማ ጾርዓን ኤሽታኦልን ዒርሽመሽን፡ 42ሻዓላቢንን ኣያሎንን ዪትላን፡ 43ኤሎንን ቲምናታን ዔቅሮንን፡ 44ኤልትቄን ጊብቶንን ባዓላትን፡ 45ይሁዳን በነብራቅን ጋትሪሞንን፡ 46መያርቆንን ራቆንን ምስቲ ኣብ መንጽር ያፎ ዘሎ ዶብ። 47እቶም ደቂ ዳን ድማ ደየቡ እሞ ንለሼም ተዋጊኦም ሓዝዋ፡ ብስሕለት ሴፍ ከኣ ኣጥፍእዋ፡ ወሪሶም ድማ ተቐመጥዋ እሞ፡ ዶብ ደቂ ዳን ካብ ናቶም ሓሊፉ ወጸ፡ ንለሼም ከኣ፡ ከም ስም ኣቦኦም፡ ዳን ኢሎም ሰመይዋ። 48ርስቲ ነገድ ደቂ ዳን ከከም ዓሌቶም እዚ እዩ፡ እዘን ከተማታት እዚአን ምስ ዓድታተን። 
   49ነታ ምድሪ በብዶባ ንርስቲ ምስ ተማቐልዋ ኸኣ፡ ደቂ እስራኤል ንእያሱ ወዲ ነዌ ኣብ ማእከሎም ርስቲ ሃብዎ። 50ከም ትእዛዝ እግዚኣብሄር እታ ዝደለያ ኣብ ከረን ኤፍሬም ዘላ ኸተማ፡ ቲምናትሴራ ሃብዎ። ነታ ኸተማ ሰርሓ፡ ኣብኣ ድማ ተቐመጠ። 
   51እቲ ኻህን ኣልኣዛርን እያሱ ወዲ ነዌን ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታት ነገዳት ደቂ እስራኤልን ኣብ ሺሎ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ደገ ድንኳን ምርኻብ ዀይኖም፡ ብዕጭ ዝመቐልዎ ርስትታት እዚ እዩ። ምምቃል እታ ምድሪ ኸኣ ወድኡ።

        መ. እያሱ  ምዕራፍ 20          

   1እግዚኣብሄር ድማ ንእያሱ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ 2-3ንደቂ እስራኤል ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፡ እቲ ብዘይ ሓሳብ ከይፈለጠ፡ ነፍሲ ዝቐተለ ቐታሊ ናብኤን ክሃድም እሞ፡ ካብ ፈዳይ ደም መዕቈቢ ክዀናኹም፡ እተን ብሙሴ ዝበልኩኹም ከተማታት መዕቈቢ ንኣኻትኩም ፍለይወን። 4ንሱ ናብ ሓንቲ ኻብዘን ከተማታት እዚአን ይህደም፡ ኣብ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ ደው ኢሉ ኸኣ፡ እቲ ነገሩ ነቶም ዓበይቲ እታ ኸተማ እቲኣ ኽሰምዕዎ ይንገሮም። ናብታ ኸተማ ናባታቶም ይቀበልዎ፡ ምሳታቶም ዝነብረላ ቦታ ድማ ይሃብዎ። 5ነቲ ብጻዩ፡ ቀደም ጽልኢ ዘይነበሮ፡ ከይፈለጠ ቐቲልዎ እዩ እሞ፡ እቲ ፈዳይ ደም እንተ ሰጐጎ፡ ነቲ ዝቐተለ ኣሕሊፎም ኣብ ኢዱ ኣይሃብዎ። 6ኣብ ቅድሚ ኣኼባ ንፍርዲ ኽሳዕ ዝቐውም፡ እቲ በተን መዓልትታት እቲአን ዘሎ ሊቀ ኻህናት ክሳዕ ዝመውት ኣብታ ኸተማ ይቀመጥ። ሽዑ እቲ ቐታሊ ተመሊሱ ናብ ከተማኡን ናብ ቤቱን፡ ናብታ ኻብኣ ዝሃደመላ ኸተማ፡ ይእቶ። 7እምበኣርሲ ኣብ ገሊላ ኣብ ከረን ንፍታሌም ቄዴስ፡ ኣብ ከረን ኤፍሬም ድማ ሴኬም፡ ኣብ ከረን ይሁዳ ኸኣ ቂርያትኣርባ፡ ንሳ ድማ ኬብሮን፡ ፈለዩ። 8ካብ ነገድ ሮቤል ከኣ ኣብ ስግር ዮርዳኖስ፡ ኣብ ምብራቕ ያሪኮ እታ ኣብ በረኻ፡ ኣብ ጐልጐል ዘላ ቤጸር፡ ካብ ነገድ ጋድ ድማ እታ ኣብ ጊልዓድ ዘላ ራሞት፡ ካብ ነገድ ምናሴውን እታ ኣብ ባሳን ዘላ ጎላን ፈለዩ። 9እተን ንዅሎም ደቂ እስራኤልን ኣብ ማእከሎም ንዝነብር ጓናን፡ እቲ ብዘይ ሓሳብ ነፍሲ ዝቐተለ ዘበለ፡ ኣብ ቅድሚ ኣኼባ ደው ክሳዕ ዝብል፡ ብኢድ ፈዳይ ደም ከይመውትሲ፡ ክሃድመለን እተመደባ ኸተማታት እዚኣተን እየን።

        መ. እያሱ  ምዕራፍ 21   

   1እቶም ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታት ሌዋውያን ድማ ናብ ካህን ኣልኣዛርን ናብ እያሱ ወዲ ነዌን ናብ ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታት ነገዳት ደቂ እስራኤልን ቀሪቦም፡ 2ንሕና እንነብረለን ከተማታትን እቲ ኸባቢአን ድማ ንማልና ዝኸውን ኵህቡና፡ እግዚኣብሄር ብኢድ ሙሴ ኣዚዙ እዩ፡ ኢሎም ኣብ ምድሪ ኸነኣን ኣብ ሺሎ ተዛረብዎም። 3ሽዑ ደቂ እስራኤል ከምቲ ትእዛዝ እግዚኣብሄር ካብ ርስቶም እዘን ከተማታት እዚአን መምስ ከባቢአን ንሌዋውያን ሃብዎም። 4ንዓሌታት ቀሃታውያን ከኣ ዕጭ ወጸሎም፡ ነቶም ካብ ሌዋውያን ዝነበሩ ደቂ ኻህን ኣሮን ካብ ነገድ ይሁዳን ካብ ነገድ ስምኦናውያንን ካብ ነገድ ብንያምን ብዕጭ ዓሰርተው ሰለስተ ኸተማ በጽሖም። 
   5ነቶም ዝተረፉ ደቂ ቀሃት ድማ፡ ካብ ዓሌታት ነገድ ኤፍሬምን ካብ ነገድ ዳንን ካብ ፈረቓ ነገድ ምናሴን ብዕጭ ዓሰርተ ኸተማ በጽሖም። 6ንደቂ ጌርሾን ከኣ ካብ ዓሌታት ነገድ ይሳኮርን ካብ ነገድ ኣሴርን ካብ ነገድ ንፍታሌምን ካብ ፈረቓ ነገድ ምናሴን ኣብ ባሳን ብዕጭ ዓሰርተው ሰለስተ ኸተማ በጽሖም። 7ንደቂ መራሪ ኸከም ዓሌቶም ካብ ነገድ ሮቤልን ካብ ነገድ ጋድን ካብ ነገድ ዛብሎንን ዓሰርተው ክልተ ኸተማ በጽሖም። 8ደቂ እስራኤል ከኣ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ብኢድ ሙሴ ዝኣዘዞ፡ እዘን ከተማታት እዚአን መምስ ከባቢአን ንሌዋውያን ብዕጭ ሃብዎም።
   9ካብ ነገድ ደቂ ይሁዳን ካብ ነገድ ደቂ ስምኦንን ድማ እዘን ብስመን እተሰምያ ኸተማታት ሃቡ። 10ነቶም ካብ ደቂ ሌዊ፡ ካብ ዓሌታት ቀሃታውያን ዝነበሩ ደቂ ኣሮን፡ ቀዳማይ ዕጭ ናቶም ነበረ እሞ፡ ንኣታቶም ኰነ። 11ኣብ ከረን ይሁዳ ድማ ቂርያትኣርባ፡ ኣቦ ዓናቅ፡ ንሳ ኸኣ ኬብሮን፡ ምስቲ ኣብ ዙርያኣ ዘሎ ኸባቢኣ ሃብዎም። 12ግርሁ እታ ኸተማን ኣቑሻታን ግና ንካሌብ ወዲ የፉነ ርስቲ ሃብዎ። 
   13ንደቂ ኻህን ኣሮን ከኣ እታ ኸተማ መዕቈብ ቀታሊ፡ ኬብሮን ምስ ከባቢአን ሊብና ምስ ከባቢአን ሃብዎም። 14ያቲር ምስ ከባቢአን ኤሽትሞዓ ምስ ከባቢኣን፡ 15ሖሎን ምስ ከባቢኣን ደቢር ምስ ከባቢኣን፡ 16ዓይን ምስ ከባቢኣን ዮጣህ ምስ ከባቢኣን ቤትሸመሽ ድማ ምስ ከባቢኣን፡ ካብዞም ክልተ ነገድ እዚኦም ትሽዓተ ኸተማ። 17ካብ ነገድ ብንያም ድማ ጊብዖን ምስ ከባቢኣን ጌባዕ ምስ ከባቢኣን፡ 18ዓናቶት ምስ ከባቢኣን ዓልሞን ከ ኣምስ ከባቢኣን፡ ኣርባዕተ ኸተማ። 19ኵለን ከተማታት እቶም ካህናት ደቂ ኣሮን ዓሰርተው ሰለስተ ኸተማታት መምስ ከባቢአን። 
   20ነቶም ዓሌታት ደቂ ቀሃት ሌዋውያን፡ እቶም ዝተረፉ ደቂ ቀሃት፡ ድማ ከተማታት ዕጮም ካብ ነገድ ኤፍሬም በጽሖም። 21እታ ኣብ ከረን ኤፍሬም ዘላ ኸተማ መዕቈብ ቀታሊ፡ ሴኬም ምስ ከባቢኣን ጌዘር ምስ ከባቢኣን፡ 22ቂብጻይም ምስ ከባቢኣን ቤትሖሮን ምስ ከባቢኣን ድማ፡ ኣርባዕተ ኸተማ ሃብዎም። 23ካብ ነገድ ዳን ከኣ ኤልትቄ ምስ ከባቢኣን፡ ጊብቶን ድማ ምስ ከባቢኣን፡ 24ኣያሎን ምስ ከባቢኣን ጋትሪሞን ከኣ ምስ ከባቢኣን፡ ኣርባዕተ ኸተማ። 25ካብ ፈረቓ ነገድ ምናሴ ታዓናክ ምስ ከባቢኣን ጋትሪሞንውን ምስ ከባቢኣን፡ ክልተ ኸተማ። 26ናይቶም ካብ ደቂ ቀሃት ዝተረፉ ዓሌታት ኵለን ከተማታት መምስ ከባቢአን ዓሰርተ እየን። 
   27ነቶም ካብ ዓሌታት ሌዋውያን ደቂ ጌርሾን ከኣ ካብ ፈረቓ ነገድ ምናሴ እታ ኣብ ባሳን ዘላ ኸተማ መዕቈብ ቀታሊ፡ ጎላን ምስ ከባቢኣን ቤዔሽትራ ምስ ከባቢኣን፡ ክልተ ኸተማ። 28ካብ ነገድ ይሳኮር ድማ ቂሽዮን ምስ ከባቢኣን ዳብራት ምስ ከባቢኣን፡ 29ያርሙት ምስ ከባቢኣን ዔንጋኒም ምስ ከባቢኣን፡ ኣርባዕተ ኸተማ። 30ካብ ነገድ ኣሴር ከኣ ሚሽኣል ምስ ከባቢኣን ዓብዶን ምስ ከባቢኣን፡ 31ሔልቃት ምስ ከባቢኣን ሬሖብ ምስ ከባቢኣን፡ ኣርባዕተ ኸተማ። 32ካብ ነገድ ንፍታሌም ድማ እታ ኸተማ መዕቈብ ቀታሊ፡ ቃዴስ ኣብ ገሊላ ምስ ከባቢኣን ሓሞትዶር ምስ ከባቢኣን ቃርታን ምስ ከባቢኣን፡ ሰለስተ ኸተማ። 33ኵለን ከተማታት ጌርሾናውያን ከከም ዓሌቶም ዓሰርተው ሰለስተ ኸተማ መምስ ከባቢአን ሃብዎም። 
   34ነቶም ዝተረፉ ሌዋውያን፡ ዓሌታት ደቂ መራሪ ካብ ነገድ ዛብሎን፡ ድማ ዮቅነዓም ምስ ከባቢኣን ቃርታ ምስ ከባቢኣን፡ 35ዲምና ምስ ከባቢኣን ናሃላል ምስ ከባቢኣን፡ ኣርባዕተ ከተማ። 36ካብ ነገድ ሮቤል ድማ ቤጸር ምስ ከባቢኣን ያህጻ ምስ ከባቢኣን፡ 37ቄዴሞት ምስ ከባቢኣን ሜፋዓት ምስ ከባቢኣን፡ ኣርባዕተ ኸተማ። 38ካብ ነገድ ጋድ ድማ እታ ኸተማ እታ ኸተማ መዕቈብ ቀታሊ፡ ራሞት ኣብ ጊልዓድ ምስ ከባቢኣን ማሃናይም ምስ ከባቢኣን፡ 39ሔስቦን ምስ ከባቢኣን ያዕዜር ምስ ከባቢኣን፡ ኵለን ኣርባዕተ ኸተማ። 40ኵለን እዘን ከተማታት እዚአን ናይቶም ካብ ዓሌታት ሌዋውያን ዝተረፉ ደቂ መራሪ ኸከም ዓሌቶም እየን፡ ዕጮም ከኣ ዓሰርተው ክልተ ኸተማ እየን። 
   41እተን ኣብ ማእከል ርስቲ ደቂ እስራኤል ዘለዋ ዅለን ከተማታት ሌዋውያን ኣርብዓን ሾሞንተን ከተማ መምስ ከባቢአን እየን። 42እዘን ከተማታት እዚአን ነንኸተማ ኣብ ዙርያኣ ኸባቢ ነበራ ኵለን እዘን ከተማታት እዚአን ከምኡ ነበረን። 
   43እግዚኣብሄር ከኣ እታ ነቦታቶም ኵህቦም ዝመሓለሎም ኵላ ምድሪ ንደቂ እስራኤል ሃቦም። ወሪሶም ከኣ ተቐመጥዋ። 44እግዚኣብሄር ድማ ከምቲ ዅሉ ነቦታቶም ዝመሓለሎም ብዅሉ ዙርያኦም ኣዕረፎም። ካብ ኵሎም ጸላእቶም ሓደ ሰብ እኳ ኣብ ቅድሚኦም ደው ኣይበለን፡ እግዚኣብሄር ኵሎም ጸላእቶም ኣብ ኢዶም ሃቦም። 45ካብቲ እግዚኣብሄር ንቤት እስራኤል እተዛረቦ ዅሉ ጽቡቕ ነገር ገለ ቓል እኳ ኣይወደቐን፡ ኵሉ ደኣ ተፈጸመ።

        መ. እያሱ  ምዕራፍ 22            

   1ሽዑ እያሱ ንሮቤላውይንን ንጋዳውያንን ንፈረቓ ነገድ ምናሴን ጸዎዖም፡ 2በሎም ድማ፡ ንስኻትኩም እቲ ሙሴ ባርያ እግዚኣብሄር ዝአዘዘኩም ዅሉ ሓሊኹም ኢኹም፡ እቲ ዝአዘዝኩኹም ኵሉ ቓለይውን ሰማዕኩም። 3ንስኻትኩም በዘን ብዙሓት መዓልታት ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ነሕዋትኩም ኣይሓደግኩምዎምን፡ እቲ ናይ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፡ ናይ ትእዛዙ ነገር ደኣ ሓሎኹም። 4ሕጂ ድማ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ነሕዋትኩም ከምቲ እተዛረቦም ኣዕሪፍዎም እዩ እሞ፡ ሕጂ ድማ ተመሊስኩም ናብ ድንኳናትኩም ናብታ ሙሴ ባርያ እግዚኣብሄር ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ዝሃበኩም፡ ናብ ምድሪ ርስትኹም ኪዱ። 5ሓንትስ፡ እቲ ሙሴ ባርያ እግዚኣብሄር ዝኣዘዘኩም ትእዛዝን ሕግን ክትገብሩ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ክትፈትውዎ፡ ብዅሉ መገድታቱ ኽትከዱ ትእዛዛቱ ድማ ክትሕልዉ፡ ናብኡውን ክትለግቡ፡ ብዅሉ ልብኹምን ብዅሉ ነፍስኹምን ከኣ ከተገልግልዎ፡ ኣዚኹም ተጠንቀቑ። 6እያሱ ድማ መሪቑ ኣፋነዎም፡ ናብ ድንኳናቶም ከኣ ከዱ። 
   7ንፈረቓ ነገድ ምናሴ ሙሴ ኣብ ባሳን ርስቲ ሂብዎ ነበረ፡ ነቲ ፈረቓኡ ከኣ እያሱ ኣብ ስግር ዮርዳኖስ፡ ኣብ ወገን ምዕራብ ኣብ መንጎ ኣሕዋቶም ሃቦም። እያሱ ናብ ድንኳናቶም ክሰዶም ከሎ መረቖም፡ 8ምስ ብዙሕ ሃብቲ፡ ምስ ኣዝዩ ብዙሕ ማል ድማ፡ ምስ ብሩርን ምስ ወርቅን ምስ ኣስራዝን ምስ ሓጺንን፡ ምስ ኣዝዩ ብዙሕ ክዳውንቲውን ናብ ድንኳናትኩም ተመለሱ፡ ነቲ ምርኮ ጸላእትኹም ከኣ ምስ ኣሕዋትኩም ተማቐልዎ፡ ኢሉ ድማ ተዛረቦም። 
   9ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን ፈረቓ ነገድ ምናሴን ተመሊሶም፡ ናብ ምድሪ ጊልዓድ፡ ናብታ ብትእዛዝ እግዚኣብሄር ብኢድ ሙሴ እተረስተይዋ ምድሪ ርስቶም ክኸዱ፡ ካብ ደቂ እስራኤል ካብታ ኣብ ምድሪ ኸነኣን ዘላ ሺሎ ነቕሉ። 10ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን ፈረቓ ነገድ ምናሴን ናብቲ ኸባቢ ዮርዳኖስ ናይ ምድሪ ኸነኣን ምስ መጹ፡ ኣብኡ ኣብ ጥቓ ዮርዳኖስ መሰውኢ፡ ዓብዪ ርኡይ መሰውኢ ሰርሑ። 11እቶም ደቂ እስራኤል ከኣ፡ እንሆ፡ ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን ፈረቓ ነገድ ምናሴን ኣብ ጥቓ ዮርዳኖስ፡ ኣብ መንጽር ምድሪ ኸነኣን፡ ኣብ ማዕዶ ደቂ እስራኤል መሰውኢ ሰሪሖም ኣለዉ፡ ክብሉ ሰምዑ። 12ደቂ እስራኤል ድማ እዚ ምስ ሰምዑ፡ ምሳታቶም ንምውጋእ ክድይቡ፡ ብዘሎ እቲ ኣኼባ ደቂ እስራኤል ኣብ ሺሎ ተኣከበ። 
   13ደቂ እስራኤል ከኣ ንፊንሃስ ወዲ ኻህን ኣልኣዛር ናብ ደቂ ሮቤልን ናብ ደቂ ጋድን ናብ ፈረቓ ነገድ ምናሴን ናብ ምድሪ ጊልዓድ ለኣኽዎ። 14ምስኡ ድማ ናይ ኵሎም ነገዳት እስራኤል ዓሰርተ ሹም፡ ሓሓደ ሹም ንማይ ቤት ኣቦ፡ ነፍሲ ወከፎም ኣብ ማእከል ኣሽሓት እስራኤል ነንማይ ቤት ኣቦታቶም ሓላቑ ነበሩ። 15ናብ ደቂ ሮቤልን ናብ ደቂ ጋድን ናብ ፈረቓ ነገድ ምናሴን ናብታ ምድሪ ጊልዓድ መጺኦም ድማ ከምዚ ኢሎም ተዛረብዎም፡ 16ብዘሎ ኣኼባ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል፡ ንእግዚኣብሄር ክትዓልዉ ንኣኻትኩም መሰውኢ ብምስራሕኩም ሎሚ ንእግዚኣብሄር ካብ ምስዓብ እተመለስኩምሲ፡ እዚ ሎሚ ንኣምላኽ እስራኤል ዝበደልኩሞ በደል፡ እንታይ እዩ፧ 17እቲ ሓጢኣት ጴዖር ክሳዕ ሎሚ ኻብኡ ዘይነጻህናሉ እሞ ኣብ ኣኼባ እግዚኣብሄር ምዓት ዝወረደዶ ኣይኣኽለናን እዩ፧ 18ሎሚ ድማ ንስኻትኩም ንእግዚኣብሄር ካብ ምስዓብ ተመሊስኩም፡ ሎሚ ንእግዚኣብሄር ብምዕላውኩም ጽባሕ ንብዘሎ ኣኼባ እስራኤል ክቑጥዖ እዩ። 19እታ ዝወረስኩምዋ ምድሪ ርኽስቲ እንተ ዀነት ግና፡ ናብታ ማሕደር እግዚኣብሄር ሰፊራታ ዘላ ምድሪ ርስቲ እግዚኣብሄር ሕለፉ እሞ ኣብ ማእከልና ተረስተዩ፡ ብጀካ እቲ መሰውኢ እግዚኣብሄር ኣምላኽና፡ መሰውኢ ብምስራሕኩም ንእግዚኣብሄር ኣይትዕለዉ፡ ንኣናውን ኣይትዕለዉና። 20ዓካን ወዲ ዜራሕ ኣብቲ እተሓርመዶ በደል ኣይበደለን፧ ኣብ ልዕሊ ብዘሎ ኣኼባ እስራኤል ድማ መዓት ወረደ፡ በቲ በደሉ ኸኣ እቲ ሓደ ሰብኣይ ጥራይ ኣይሞተን። 
   21ሽዑ ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን ፈረቓ ነገድ ምናሴን ነቶም ሓላቑ ኣሽሓት እስራኤል መሊሶም ተዛረብዎም፡ 22እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣማልኽቲ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣማልኽቲ፡ ንሱ ይፈልጦ ኣሎ፡ እስራኤልውን፡ ንሱ ኽፈልጦ እዩ፡ ነዚ ብበደልን ንእግዚኣብሄር ብምዕላውን እንተ ጌርናዮስ፡ ሎሚ መዓልቲ ኣይተድሕነና፡ 23-24ንእግዚኣብሄር ካብ ምስዓብ ምእንቲ ኽንምለስ ወይስ ዝሓርር መስዋእቲ ወይ መስዋእቲ ብልዒ ኸነዕርገሉ ወይ መስዋእቲ ምስጋና ኽንገብረሉ፡ መሰውኢ እንተ ሰራሕናስ፡ እዚ ንዳሕራዩ ደቅኹም ንደቅና፡ ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል እንታይ ኣሎኩም፧ ክብልዎም እዮም፡ ኢልና ብፍርሃት እንተ ዘይገብርናዮስ፡ እግዚኣብሄር ባዕሉ ይመርምር። 25ኣቱም ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን፡ እግዚኣብሄር ንኣናን ንኣኻትኩምን ንዮርዳኖስ ዶብ ገይሩልና እዩ እሞ፡ ኣብ እግዚኣብሄር ግደ የብልኩምን፡ ኢሎም ደቅኹም ንደቅና ምፍራህ እግዚኣብሄር ከም ዝሓድጉ ይገብርዎም። 26-27ስለዚ ንዳሕራዩ ደቅኹም ንደቅና፡ ኣብ እግዚኣብሄር ግደ የብልኩምን፡ ምእንቲ ኸይብልዎም፡ ንእግዚኣብሄር ብዝሓርር መስዋእትናን ብናይ ሕሩድ መስዋእትናን ብናይ ምስጋና መስዋእትናን ኣብ ቅድሚኡ ኽነገልግሎ፡ ንኣና መሰውኢ ኽንነድቕ ንሓሊ፡ ግናኸ ንዝሓርር መስዋእቲ ኣይኰነን፡ ንመስዋእቲ ሕሩድ ድማ ኣይኰነን፡ ንሱ ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎኹምን፡ ብድሕሬና ኸኣ ኣብ መንጎ ወለዶና ምስክር ክኸውን፡ ኢልና ደኣ ኢና። 28ስለዚ ንዳሕራዩ ንኣናን ንወለዶናን ከምዚ ምስ ዝብሉ ነቲ ኣቦታትና ዝገበርዎ ምስሊ መሰውኢ እግዚኣብሄር ርኣዩ፡ ንሱ ንዝሓርር መስዋእቲ ኣይኰነን፡ ንመስዋእቲ ሕሩድውን ኣይኰነን፡ ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎኹምን ደኣ ምስክር እዩ፡ ንብሎም በልና። 29ንሕና ብጀካ እቲ ኣብ ቅድሚ ማሕደር ዘሎ መሰውኢ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ንዝሓርር መስዋእቲ ወይ ንመስዋእቲ ወይ ንመስዋእቲ ብልዕን ንመስዋእቲ ሕሩድን መሰውኢ ብምስራሕና፡ ካብ እግዚኣብሄር ምዕላውን ሎሚ ንእግዚኣብሄር ካብ ምስዓብ ምምላስንሲ ኻባና ይርሓቕ። 
   30ሽዑ ኻህን ፊንሃስን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሹማምቲ ኣኼባን እቶም ሓላቑ ኣሽሓት እስራኤልን፡ እቲ ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን ደቂ ምናሴን እተዛረብዎ ነገር ምስ ሰምዑ፡ ጽቡቕ ኰይኑ ተራእዮም። 31ፊንሃስ ወዲ ኻህን ኣልኣዛር ድማ ንደቂ ሮቤልን ንደቂ ጋድን ንደቂ ምናሴን፡ እዚ በደል እዚ ንእግዚኣብሄር ኣይበደልኩምዎን እሞ፡ እግዚኣብሄር ኣብ ማእከልና ከም ዘሎ፡ ሎሚ ፈለጥና፡ ሕጂ ንደቂ እስራኤል ካብ ኢድ እግዚኣብሄር ኣድሓንኩምዎም፡ በሎም። 
   32ሽዑ ፊንሃስ ወዲ ኻህን ኣልኣዛርን፡ እቶም ሹማምትን ካብ ደቂ ሮቤልን ካብ ደቂ ጋድን ካብ ምድሪ ጊልዓድ ናብ ምድሪ ኸነኣን ናብ ደቂ እስራኤል ተመልሱ፡ እቲ ነገሩ ድማ መለሱሎም። 33እቲ ነገሩ ኸኣ ንደቂ እስራኤል ጽቡቕ ኰይኑ ተራእዮም እሞ፡ ደቂ እስራኤል ንኣምላኽ ኣመስገንዎ። ድሕርቲ ኸኣ፡ ነታ ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን ዝነብርዋ ምድሪ ኸጥፍእዋ፡ ኽንዋጋእ ንደይቦም ኢሎም ኣይተዛረቡን። 34ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን ድማ፡ ነቲ መሰውኢ፡ ዔድ፡ ኢሎም ሰመይዎ። ከመይሲ፡ ንሱ እግዚኣብሄርስ ኣምላኽ ከም ዝዀነ፡ ኣብ መንጎና ምስክር እዩ፡ በሉ።

        መ. እያሱ  ምዕራፍ 23            

   1ኰነ ድማ፡ ድሕሪ ነዊሕ ዘበን እግዚኣብሄር ንእስራኤል ካብቶም ኣብ ዙርያኦም ዝነብሩ ዅሎም ጸላእቶም ምስ ኣዕረፎም፡ እያሱውን ኣሪጉ ነዊሕ ዕድመ ምስ ገበረ፡ 2ንብዘለዉ እስራኤል፡ ንዓበይቶምን ንሓላቑኦምን ንፈረዶምን ንመኳንንቶምን ጸዊዑ በሎም፡ ኣነ ኣሪገ፡ ነዊሕ ዕድመ ገይረ እየ፡ 3እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፡ ንሱ ተዋጊኡልኩም እዩ እሞ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣብዞም ኵሎም ህዝብታት እዚኣቶም ኣብ ቅድሜኹም ዝገበሮ ዅሉ ንስኻትኩም ርኢኹም ኢኹም። 4ርኣዩ፡ ነዞም ተሪፎም ዘለዉ ህዝብታት እዚኣቶምን ነቶም ዘጥፋእክዎም ኵሎም ህዝብታትን ካብ ዮርዳኖስ ክሳዕ እቲ ዓብዪ ባሕሪ ብወገን ምዕራብ ጸሓይ፡ ንነገዳትኩም ርስቲ ብዕጭ ኣካፈልኩኹም። 5እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንሱ ኻብ ቅድሜኹም ክደፍኦም፡ ካብ ቅድሜኹም ከኣ ክሰጎም እዩ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እተዛረበኩም ድማ፡ ምድሮም ክትወርሱ ኢኹም። 6ነቲ ኣብ መጽሓፍ ሕጊ ሙሴ እተጻሕፈ ዅሉ ኽትሕልውዎን ክትገብርዎን፡ ካብኡ ኸኣ ንየማን ኰነ ንጸጋም ከይትዘብሉስ፡ ኣዚኹም ጽንዑ። 7ናብዞም ዝተረፉ እሞ ምሳኻትኩም ዘለዉ ህዝብታት እዚኣቶም ከይትኣትዉ፡ ስም ኣማልኽቶምውን ከይትዝክሩ፡ ከይትምሕሉሎምን ከይተገልግልዎምን ከይትሰግዱሎምውን፡ 8ከምዚ ኽሳዕ ሎሚ ዝገበርኩምዎ ደኣ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ልገቡ። 9እግዚኣብሄር ድማ ንዓበይትን ንሓያላትን ህዝብታት ካብ ቅድሜኹም ሰጒጒዎም እዩ እሞ። ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ሓደ እኳ ኣብ ቅድሜኹም ደው ኣይበለን። 10እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከምቲ እተዛረበኩም፡ ንሱ እዩ ዝዋግኣልኩም እሞ፡ ካባኻትኩም ሓደ ሰብኣይ ንሽሕ ክሰጎም እዩ። 11ስለዚ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ክትፈትውዎ፡ ንነፍስኹም ኣዚኹም ተሓለዉ። 12ንድሕሪት እንተ ተመለስኩም እሞ፡ ናብዞም ተረፍ፡ ናብዞም ምሳኻትኩም ዝተረፉ ህዝብታት እዚኣቶም እንተ ለገብኩም፡ ምሳታቶም ድማ እንተ ተዋሰብኩም፡ ናባታቶም እንተ ኣቶኹም፡ ንሳቶም ድማ ናባኻትኩም እንተ ኣተዉ፡ 13ካብዛ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝሃበኩም ጽብቕቲ ምድሪ ኽሳዕ እትጸንቱ፡ ንኣኻትኩም መሓንኰልን መጻወድያን ንጐድንኹም መግረፊ ነዒንትኹም ከኣ እሾኽ ክዀኑኹም እዮም እምበር፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ነዞም ህዝብታት እዚኣቶም ደጊም ካብ ቅድሜኹም ከም ዘየውጽኦም፡ ብርግጽ ፍለጡ። 
   14እንሆ ኸኣ፡ ኣነ ሎሚ መገዲ ዅላ ዓለም እኸይድ ኣሎኹ እሞ ካብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብዛዕባኹም እተዛረቦ ዅሉ ጽቡቕ ነገር፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይወደቐ፡ ብዅሉ ልብኹምን ብዅሉ ነፍስኹምን ፍለጡ። ኵሉ በጽሓኩም እምበር፡ ካብኡስ ሓደ ነገር እኳ ኣይወደቐን። 15ክኸውን ድማ እዩ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እተዛረበኩም ኵሉ ጽቡቕ ነገር ዝመጸኩም፡ ከምኡ ድማ ካብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝሃበኩም ጽብቕቲ ምድሪ ኽሳዕ ዘጽንተኩም፡ እግዚኣብሄር ኵሉ ኽፉእ ነገር ከምጽኣልኩም እዩ። 16ነቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝኣዘዘኩም ኪዳን ምስ እትተሓላለፉ፡ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸተገልግሉን ክትሰግዱሎምን እንተ ኸድኩም፡ ሽዑ ዅራ እግዚኣብሄር ኣባኻትኩም ክነድድ እዩ፡ ካብታ ዝሃበኩም ጽብቕቲ ምድሪ ድማ ሽዓ ኢልኩም ክትበርሱ ኢኹም።

        መ. እያሱ  ምዕራፍ 24            

   1እያሱ ድማ ንዅሎም ነገዳት እስራኤል ኣብ ሴኬም ኣከቦም፡ ነቶም ዓበይቲ እስራኤልን ንሓላቑኦምን ንፈረዶምን ንመኳንንቶምን ከኣ ጸዎዖም፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከኣ ቐረቡ። 2እያሱ ድማ ንብዘሎ ህዝቢ በሎ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል፡ ካብ ጥንቲ ኣቦታትኩም፡ ታራ ኣቦ ኣብርሃምን ኣቦ ናሆርን፡ ኣብ ክንየው ርባ ይቕመጡ ነበሩ፡ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ድማ የገልግሉ ነበሩ። 3ነቦኹም ኣብርሃም ከኣ ካብ ክንየው ርባ ወሲደ፡ ኣብ ኵሉ ምድሪ ኸነኣን መራሕክዎ፡ ዘርኡውን ኣብዛሕኩ፡ ይስሃቅ ከኣ ሃብክዎ። 4ንይስሃቅ ድማ ያእቆብን ኤሳውን ሃብክዎ። ንኤሳው ከኣ ከረን ሰዒር ክርስተያ ሃብክዎ። ያእቆብን ደቁን ድማ ናብ ግብጺ ወረዱ። 5ንሙሴን ንኣሮንን ልኢኸ ኸኣ ንግብጺ፡ ከምቲ ኣብ ማእከላ ዝገበርክዎ ገይረ፡ ወቓዕክዋ፡ ድሕርቲ ድማ ኣውጻእኩኹም፡ 6ነቦታትኩም ከኣ ካብ ግብጺ ኣውጻእክዎም፡ ናብ ባሕሪ ድማ በጻሕኩም። እቶም ግብጻውያን ከኣ ነቦታትኩም ብሰረገላታትን በፍራስን ክሳዕ ባሕሪ ኤርትራ ሰጐጒዎም። 7ናብ እግዚኣብሄር ምስ ተማህለሉ፡ ኣብ መንጎኹምን ኣብ መንጎ ግብጻውያንን ጸልማት ገበረ፡ ነቲ ባሕሪ ከኣ ናብ ልዕሊኦም ሰዲዱ ደፈኖም። እቲ ንግብጻውያን ዝገበርክዎ ኸኣ፡ ኣዒንትኹም ርእየናኦ። ኣብ በረኻ ድማ ነዊሕ ዘበን ነበርኩም። 
   8ናብ ምድሪ እቶም ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ዝነበሩ ኣሞራውያን ኣእቶኹኹም፡ ንሳቶም ድማ ተዋግኡኹም፡ ኣነ ኸኣ ንኣታቶም ኣብ ኢድኩም ሃብኩኹም፡ ምድሮም ድማ ወረስኩም፡ ካብ ቅድሜኹምውን ኣጥፋእክዎም። 9ሽዑ ድማ ባላቅ ወዲ ጺጶር፡ ንጉስ ሞኣብ፡ ተንሲኡ ንእስራኤል ተዋግኦም፡ ንበላዓም ወዲ ጴዖር ድማ፡ ምእንቲ ኽረግመኩም፡ ልኢኹ ጸውዖ። 10ኣነ ግና ንበላዓም ክሰምዖ ኣይፈቶኹን፡ ስለዚ ንሱስ ኣጸቢቑ ደኣ ባረኸኩም፡ ካብ ኢዱ ኸኣ ኣድሓንኩኹም። 11ንዮርዳኖስ ተሳጊርኩም ድማ ናብ ያሪኮ መጻእኩም እሞ፡ ሰብ ያሪኮን ኣሞራውያንን ፈረዛውያንን ከነኣናውያንን ሔታውያንን ጌርጌሳውያንን ሃዋውያንን ይቡሳውያንን፡ ድማ ተዋግኡኹም። ኣነ ኸኣ ንኣታቶም ኣብ ኢድኩም ሃብኩኹም። 12ነቶም ክልተ ነገስታት ኣሞራውያን ድማ ካብ ቅድሜኹም ዝሰገጎም ዕኰት ኣብ ቅድሜኹም ሰደድኩ እምበር፡ ብሴፍካን ብቐስትካን ኣይኰነን። 13ዘይጸዓርካላ ምድርን ዘይነደቕኩምወን ከተማታትን ሃብኩኹም፡ ኣብአን ከኣ ትነብሩ ኣሎኹም፡ ካብ ዘይተኸልኩምዎ ወይንታትን ኣዋልዕን ድማ ትበልዑ ኣሎኹም። 14ሕጂ ኸኣ ንእግዚኣብሄር ፍርህዎ፡ ብፍጹምናን ብእምነትን ኣገልግልዎ፡ ነቶም ኣብ ክንየው ርባን ኣብ ግብጽን ኣቦታትኩም ዘገልግልዎም ዝነበሩ ኣማልኽቲ ኣግልስዎም፡ ንእግዚኣብሄር ድማ ኣገልግልዎ። 15ንእግዚኣብሄር ምግልጋል ክፉእ ኰይኑ እንተ ተራእየኩምሲ ንመን ከም እተገልግሉ፡ ነቶም ኣቦታትኩም ኣብ ክንየው ርባ ዘገልግልዎም ዝነበሩ ኣማልኽቲ ወይ ኣማልኽቲ ናይቶም ንስኻትኩም ኣብ ምድሮም እትነብሩ ዘሎኹም ኣሞራውያን፡ ሎሚ ሕረዩ። ኣነን ቤተይን ግና ንእግዚኣብሄር ኢና እነገልግል። 
   16-17ሽዑ እቲ ህዝቢ መለሰ በለውን፡ እቲ ንኣናን ነቦታትናን ካብ ምድሪ ግብጺ ኻብ ቤት ባርነት ዘደየበና፡ እዚ ዓበይቲ ተኣምራት እዚ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትና ዝገበረ፡ ኣብ ኵሉ ዝኸድናዮ መገድን፡ ኣብቶም ብማእከሎም ዝሓለፍና ዅሎም ህዝብታትን ዝሓለወና፡ ንሱ እግዚኣብሄር ኣምላኽና እዩ እሞ፡ ንእግዚኣብሄር ሓዲግና ንኻልኦት ኣማልኽቲ ምግልጋልሲ ኻባና ይርሓቕ። 18እግዚኣብሄር ነዞም ህዝብታት እዚኦም ኵሎም ነቶም ኣብዛ ሃገር ዝነበሩ ኣሞራውያን ካብ ቅድሜና ሰጒጒዎም እዩ፡ ንሱ ኣምላኽና እዩ እሞ፡ ንሕና ኸኣ ንእግዚኣብሄር ነገልግሎ። 
   19እያሱ ድማ ነቲ ህዝቢ በለ፡ ንሱ ቅዱስ ኣምላኽ ንሱ ኸኣ ቀናእ ኣምላኽ እዩ፡ ኣበሳኹምን ሓጢኣትኩምን ኣይሓድገልኩምን ኣዩ እሞ ንእግዚኣብሄር ከተገልግልዎ ኣይትኽእሉን። 20ንእግዚኣብሄር ሓዲግኩም ንጓኖት ኣማልኽቲ ድማ እንተ ኣገልገልኩም፡ ንሱ ድሕርቲ ጽቡቕ ምስገበረልኩም ከኣ መሉሱ ኽፉእ ክገብረኩምን ክውድኣኩምን እዩ። 21እቲ ህዝቢ ድማ ንእያሱ፡ ኣይፋልናን፡ ንእግዚኣብሄር ደኣ ነገልግል፡ በለ። 22እያሱ ኸኣ ነቶም ህዝቢ፡ ንስኻትኩም ንእግዚኣብሄር ከተገልግልዎ ኢልኩም ከም ዝሓሬኹምዎ ንስኻትኩም ንርእስኹም ምስክር ኢኹም፡ በሎም። ንሳቶም ድማ፡ ምስክር ኢና፡ በሉ። 23እምበኣር ሕጅስ ነቶም ኣብ ማእከልኩም ዘለዉ ጓኖት ኣማልኽቲ ኣግልስዎም እሞ ልብኹም ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ኣቢልኩም ኣቕንዑ። 24እቶም ህዝቢ ድማ ንእያሱ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ነገልግል፡ ቃሉ ኸኣ ንሰምዕ፡ በልዎ። 
   25እያሱ ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ ምስቲ ህዝቢ ኪዳን ኣተወ፡ ሕግን ፍርድን ከኣ ኣብ ሴኬም ኣቘመሉ። 26እያሱ ድማ ነዚ ነገር እዚ ዅሉ ኣብ መጽሓፍ ሕጊ ኣምላኽ ጸሓፎ። ዓብዪ እምኒ ወሲዱ ኸኣ፡ ኣብ ትሕቲ እታ ኣብ መቕደስ እግዚኣብሄር ዝነበረት ድዋ ኣቘሞ። 27እያሱ ድማ ንዅሉ እቲ ህዝቢ፡ እንሆ፡ እዚ እምኒ እዚ ነቲ እግዚኣብሄር እተዛረበና ዅሉ ቓላት ሰሚዕዎ እዩ እሞ፡ ኣባና ምስክር ክኸውን እዩ፡ ንስኻትኩም ንኣምላኽኩም ምእንቲ ኽይትኽሕዱስ፡ ኣባኻትኩም ምስክር ክኸውን እዩ፡ በሎ። 28ሽዑ እያሱ ነቲ ህዝቢ፡ ንነፍሲ ወከፍ ነናብ ርስቱ ሰደዶ። 
   29ድሕርዚ ነገር እዚ ኸኣ ኰነ፡ እያሱ ወዲ ነዌ፡ ባርያ እግዚኣብሄር፡ ወዲ ሚእትን ዓሰርተን ዓመት ምስ ኰነ ሞተ። 30ኣብ ዶብ ርስቱ ኣብ ከረን ኤፍሬም፡ ኣብታ ኣብ ሰሜን ከረን ጋዓሽ ዘላ ቲምናትሴራሕ ድማ ቀበርዎ። 31እስራኤል ከኣ፡ ብዅሉ ዘበን እያሱን ብዅሉ ዘበን እቶም ብድሕሪ እያሱ ነዊሕ ዝጸንሑ እሞ እቲ እግዚኣብሄር ንእስራኤል ዝገበረሎም ኵሉ ግብሪ ዝፈለጡ ዓበይትን፡ ንእግዚኣብሄር የገልግል ነበረ። 
   32እቲ ደቂ እስራኤል ካብ ግብጺ እተማልእዎ ዓጽሚ ዮሴፍ ድማ ኣብታ ያእቆብ ካብ ደቂ ሓሞር ኣቦ ሴኬም ብሚእቲ ቀሲጣ ዝዓደጋ ግራት፡ ኣብ ሴኬም ቀበርዎ። ንደቂ ዮሴፍ ድማ ርስቲ ዀነቶም። 33ኣልኣዛር ወዲ ኣሮን ድማ ሞተ፡ ኣብታ ኣብ ከረን ኤፍሬም ዘላ ንወዱ ፊንሃስ እተዋህበት፡ ኣብ ጊብዓ ቐበርዎ።     

Leave a Reply

መጽሓፍ ቅዱስ ትግርኛ
ብሉይን ሓድሽን ኪዳን
ብሉይ ኪዳን
ሓድሽ ኪዳን
መጽሓፍ ቅዱስ ትግርኛ
ብሉይን ሓድሽን ኪዳን

ብሉይ ኪዳን

ሓድሽ ኪዳን