ቅዱስ ማርቆስ ዝጸሓፎ ወንጌል
1 2 3 4 5 6 7 8
9 10 11 12 13
14 15 16
ወን.ማርቆስ ምዕራፍ 1
1መጀመርታ ወንጌል ናይ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ። 2ከምቲ ብነብዪ ኢሳይያስ፡ እንሆ፡ መገድኻ ዝጸርግ መልኣኸይ ቀቅድሜኻ እልእኽ ኣሎኹ፡ 3ኣብ በረኻ ዝእውጅ ድምጺ ኣዋጅ ነጋሪ፡ ጐደና እግዚኣብሄር ጽረጉ መገዱውን ኣቕንዑ፡ ኢሉ እተጻሕፈ፡ 4ከምኡ ኸኣ ዮሃንስ ኣብ በረኻ እናኣጥመቐ፡ ንሕድገት ሓጢኣት ዝኸውን ጥምቀት ንስሓ እናሰበኸ መጸ። 5ብዘላ ሃገር ይሁዳን ኩሎም ሰብ የሩሳሌምን ናብኡ ይወጹ፡ ብሓጢኣቶም እናተናዘዙውን፡ ኣብ ርባ ዮርዳኖስ ብእኡ ይጥመቑ ነበሩ። 6ክዳን ዮሃንስ ከኣ ጸጕሪ ገመል፡ ዕጣቕ ሕቝኡውን ፈልቍ ነበረ፡ ኣንበጣ መዓር ሰንካልን ይምገብ ነበረ። 7-8ንሱ ኸኣ፡ ካባይ ዝብርትዕ፡ ኣነ ደኒነ ንምፍታሕ ስራኽ ኣሳእኑ ዘይበቅዕ፡ ደድሕረይ ይመጽእ ኣሎ። ኣነ ብማይ አጥምቐኩም ኣሎኹ፡ ንሱ ግና ብመንፈስ ቅዱስ ከጥምቐኩም እዩ፡ እናበለ ሰበኸ። 9በቲ ቅነ እቲ ዀነ፡ የሱስ ካብ ናዝሬት ናይ ገሊላ መጸ፡ ብዮሃንስ ከኣ ኣብ ዮርዳኖስ ተጠምቀ። 10ካብ ማይ ምስ ወጸ፡ ብኡብኡ ሰማያት ክኽፈታ፡ መንፈስ ድማ ከም ርግቢ ኽወርድ ከሎ ረኣየ። 11ካብ ሰማይ ከኣ፡ ብኣኻ ዝሰመርኩ ፍትዊ ወደይ ንስኻ ኢኻ፡ ዝብል ድምጺ መጸ። 12መንፈስ ከኣ ብኡብኡ ናብ በረኻ ኣውጽኦ። 13ኣብቲ በረኻ ድማ፡ ሰይጣን እናፈተኖ፡ ኣርብዓ መዓልቲ ጸንሐ። ምስ ኣራዊት ከኣ ነበረ፡ መላእኽቲውን ኣገልገልዎ። 14-15ድሕሪ ማእሰርቲ ዮሃንስ ከኣ የሱስ ናብ ገሊላ መጸ እሞ፡ እቲ ዘመን ተፈጸመ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ከኣ ቀረበት፡ ተነስሑ ብወንጌልውን እመኑ፡ እናበለ ወንጌል መንግስቲ ኣምላኽ ሰበኸ። 16ኣብ ጥቓ ባሕሪ ገሊላ ክመላለስ ከሎ፡ ስምኦንን እንድርያስ ሓዉን ገፈፍቲ ዓሳ ነበሩ እሞ፡ መርበቦም ኣብ ባሕሪ ክድርብዩ ኸለዉ ረኣዮም። 17የሱስ ድማ፡ ገፈፍቲ ሰብ ክገብረኩም እየ፡ ንዑ ስዓቡኒ፡ በሎም። 18ብኡብኡ መርበቦም ሓዲጎም ሰዓብዎ። 19ካብኡ ንእሽቶ ሕልፍ ኢሉ ኸኣ፡ ያእቆብ ወዲ ዘብዴዎስን ዮሃንስ ሓዉን ኣብ ጃልባ መርበቦም ከዕርዩ ከለዉ ረኣዮም። 20ብኡብኡ ጸውዖም። ነቦኦም ዘብዴዎስ ምስ ግዙኣቱ ኣብ ጃልባ ሓዲጎም ሰዓብዎ። 21ኣብ ቅፍርናሆም ኣተዉ፡ ብኡብኡ ኸኣ ብሰንበት ናብ ቤት ጸሎት ኣትዩ መሃረ። 22ከምቶም ጻሓፍቲ ዘይኰነስ፡ ስልጣን ከም ዘለዎ ይምህሮም ነበረ እሞ፡ በቲ ምህሮኡ ተገረሙ። 23ኣብ ቤት ጸሎቶም ድማ ርኹስ መንፈስ ዘለዎ ሰብኣይ ነበረ፡ 24ንሱ ኸኣ፡ የሱስ ናዝራዊ፡ ምሳኻ እሞ እንታይ ኣሎና፧ ከተጥፍኣናዶ መጺእካ፧ ኣታ ናይ ኣምላኽ ቅዱስ፡ መን ምዃንካ ፈሊጠካ ኣሎኹ፡ እናበለ ጨደረ። 25የሱስ ከኣ፡ ስቕ በል፡ ካብኡውን ውጻእ፡ ኢሉ ገንሖ። 26እቲ ርኹስ መንፈስ ከኣ ፈንጠርጠር ኣበሎ፡ ብዓብዪ ድምጺ እናጨደረ ኸኣ ካብኡ ወጸ። 27ኩሎም ድማ፡ እንታይ እዩ እዚ፧ እዝስ እንታይ ሓድሽ ምህሮኡ እዩ፧ ንርኹሳት መናፍስቲ ብስልጣን ይእዝዞም፡ ንሳቶም ከኣ ይእዘዙሉ ኣለዉ፡ እናበሉ ንሓድሕዶም ክሳዕ ዝተሓታተቱ ሰምበዱ። 28ወሪኡ ድማ ብኡብኡ ናብ ኵላ ሃገር ገሊላ ወጸ። 29ካብ ቤት ጸሎት ወጺኡ ድማ፡ ብኡብኡ ምስ ያእቆብን ዮሃንስን ናብ እንዳ ስምኦንን እንድርያስን ኣተወ። 30ሓማት ስምኦን ከኣ ዓሶ ሓሚማ ነበረት፡ ብኡብኡ ብዛዕባኣ ነገርዎ። 31ንሱ ድማ ናብኣ ቐሪቡ፡ ኢዳ ሒዙ ኣተንስኣ። ብኡብኡ እቲ ዓሶ ሓደጋ፡ ንሳውን ኣገልገለቶም። 32ምስ መሰየ፡ ጸሓይ ምስ ዓረበት፡ ሕማም ዘለዎም፡ ኣጋንንቲውን ዝሓደሮም ኩሎም ናብኡ ኣምጽኡ። 33ብዘላ እታ ኸተማ ኸኣ ኣብ ገበላ ተኣከበት። 34ብዙሕ ዝዓይነቱ ሕማም ዘለዎም፡ ብዙሓት ሕሙማት ከኣ ኣሕወየ፡ ብዙሓት ኣጋንንቲውን ኣውጽአ፡ እቶም ኣጋንንቲ ኸኣ ይፈልጥዎ ነበሩ እሞ፡ ክዛረቡ ኣይፈቐደሎምን። 35ኣንጊሁ ተንሲኡ፡ ገና ለይቲ ኸሎ፡ ወጸ። ናብ ጽምዊ ቦታ ኸይዱ ድማ ኣብኡ ጸለየ። 36ስምኦንን እቶም ምስኡ ዘለዉን ድማ ክደልይዎ ኸዱ። 37ምስ ረኸብዎ ኸኣ፡ ኩሎም እምበር ይደልዩኻ ኣለዉ፡ በልዎ። 38ንሱ ድማ፡ ምእንትዚ እየ ወጺአ ዘሎኹ እሞ፡ ኣብ ካልእ ኣብዚ ቐረባ ዓድታትውን ኣብኡ ኽሰብኽ፡ ንዑናይ ንኺድ፡ በሎም። 39ኣብ ጸሎቶም እናሰበኸ ኣጋንንቲውን እናውጽአ ኣብ ኩላ ሃገር ዞረ። 40ሓደ ለምጸም ናብኡ መጸ፡ ተምበርኪኹ ድማ፡ እንተ ትፈቱስ፡ ከተንጽሃኒ ትኽእል ኢኻ፡ እናበለ ለመኖ። 41የሱስ ከኣ ደንገጸሉ፡ ኢዱ ዘርጊሑ ተንከዮ፡ ፈትየ ኣሎኹ፡ ንጻህ፡ በሎ። 42እዚ ምስ በለ፡ እቲ ለምጺ ብኡብኡ ሓደጎ፡ ነጽሀ ኸኣ። 43-44የሱስ ድማ፡ ኪድ ርእስኻ ንኻህን ኣርኢ፡ ክንዲ ዝነጻህካውን ንኣታቶም ምስክር ክዀኖም፡ እቲ ሙሴ ዝኣዘዞ መባእ ኣቕርብ እምበር፡ ንሓደ እኳ ገለ ኸይትነግር ተጠንቀቕ፡ ኢሉ ኣሕሚሙ ተዛሪቡ ሰደዶ። 45ንሱ ግና ወጺኡ ብዙሕ ክሰብኽን ነቲ ነገር ከውርዮን ጀመረ። የሱስ ከኣ ኣብ ወጻኢ ኣብ ጽምዊ ስፍራ ነበረ፡ ካብ ኵሉ ወገን ድማ ናብኡ ይመጹ ነበሩ እምበር፡ ብግልጺ ናብ ከተማ ክኣቱ ኣይኰነሉን።
ወን.ማርቆስ ምዕራፍ 2
1ድሕሪ ሒደት መዓልቲ ድማ ኣብ ቅፍርናሆም ኣተወ እሞ ኣብ ቤት ከም ዘሎ ተሰምዐ። 2ብኡብኡ ወገፈ ምእካል ክሳዕ ዝስእኖም፡ ብዙሓት ተኣከቡ። ቃል ድማ ይነግሮም ነበረ። 3ኣርባዕተ ሰብኣይ ዝጾርዎ መጻጕዕ ናብኡ ኣምጽኡ። 4ህዝቢ ስለ ዝበዝሐ፡ ናብኡ ምእታው እንተ ሰኣኑ ኸኣ፡ ናሕሲ እታ ዘለዋ ቤት ኣፍረሱ። ምስ ኣፍረሱ፡ ነታ እቲ መጻጕዕ ደቂስዋ ዘሎ ዓራት ኣውረድዋ። 5የሱስ ድማ እምነቶም ርእዩ፡ ነቲ መጻጕዕ፡ ወደይ፡ ሓጢኣትካ ተሓዲጉልካ፡ በሎ። 6-7ሓያሎ ኻብ ጸሓፍቲ ኣብኡ ተቐሚጦም ነበሩ፡ ብልቦም ድማ፡ ስለምንታይ እዚ ኸምዚ ዝበለ ጸርፊ ይዛረብ ኣሎ፧ ብዘይ ሓደ ኣምላኽከ መን እዩ ሓጢኣት ክሓድግ ዝኽእል፧ ኢሎም ሓሰቡ። 8የሱስ፡ ብልቦም እዚ ኸም ዝሓሰቡ፡ ብኡብኡ ብመንፈሱ ፈሊጡ በሎም፡ ንምንታይ እዚ ብልብኹም ትሓስቡ ኣሎኹም፧ 9ኣያናይ ይቐልል፡ ነዚ መጻጕዕ ሓጢኣትካ ተሓዲጉልካ ምባልዶ፡ ወይስ ተንስእ እሞ ዓራትካ ኣልዒልካ ኺድ፡ ምባል፧ 10ወዲ ሰብ ግና ሓጢኣት ክሓድግ ኣብ ምድሪ ስልጣን ከም ዘለዎ ምእንቲ ኽትፈልጡ፡— ነቲ መጻጕዕ፡ 11ንኣኻ እብለካ ኣሎኹ፡ ተንስእ እሞ ዓራትካ ኣልዒልካ ናብ ቤትካ ኺድ፡ በሎ። 12ብኡብኡ ተንሲኡ፡ ዓራቱ ኣልዒሉ፡ ኣብ ቅድሚ ዅሎም ወጸ፡ ኩሎም ተደነቑ እሞ፡ ከምዚ ዝበለስ ከቶ ኣይርአናን፡ ኢሎም ንኣምላኽ ኣመስገንዎ። 13ከም ብሓድሽ ከኣ ናብ ገምገም ባሕሪ ወጸ፡ ኵሉ ህዝቢ ኸኣ ናብኡ መጸ፡ ይምህሮምውን ነበረ። 14ክሓልፍ ከሎ ድማ፡ ንሌዊ ወዲ እልፍዮስ ኣብ በሪ ተጎ ተቐሚጡ ረኣዮ እሞ፡ ስዓበኒ፡ በሎ። ተንሲኡ ኸኣ ሰዓቦ። 15ኰነ ድማ፡ ንሱ ኣብ ቤቱ ኣብ መኣዲ ተቐመጠ፡ ዝሰዓብዎ ብዙሓት ነበሩ እሞ፡ ብዙሓት ተገውትን ሓጥኣንን ድማ ምስ የሱስን ምስ ደቀ መዛሙርቱን ተቐመጡ። 16እቶም ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ምስ ተገውትን ምስ ሓጥኣንን ክበልዕ ከሎ ምስ ረኣይዎ፡ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ስለምንታይከ ምስ ተገውትን ምስ ሓጥኣንን ዝበልዕን ዝሰትን፧ በልዎም። 17የሱስ ሰሚዑ፡ ንሓኪምሲ ሕሙማት እምበር፡ ጥዑያት ኣይደልይዎን እዮም። ንሓጥኣን እምበር ንጻድቃን ክጽውዕ ኣይመጻእኩን፡ በሎም። 18ደቀ መዛሙርቲ ዮሃንስን ፈሪሳውያንን ይጾሙ ነበሩ። መጺኦም ከኣ፡ ደቀ መዛሙርቲ ዮሃንስን ፈሪሳውያንን ይጾሙ ኣለዉ፡ ስለምንታይ ደኣ ደቀ መዛሙርትኻ ዘይጸሙ፧ በልዎ። 19የሱስ ከኣ በሎም፡ ኣዕሩኽ መርዓዊኸ፡ እቲ መርዓዊ ምሳታቶም ከሎ፡ ከመይ ኢሎም ክጾሙ ይዀነሎም፧ መርዓዊ ምሳታቶም ከሎስ ክጾሙ ኣይዀነሎምን እዩ። 20መርዓዊ ኻባታቶም ዝውሰደላ መዓልቲ ደኣ ኽትመጽእ እያ እሞ፡ ሽዑ በታ መዓልቲ እቲኣ ክጾሙ እዮም። 21ቁራጽ ሓድሽ ዓለባ ኣብ ብላይ ክዳን ዝልግብ ከቶ የልቦን። እንተ ዘይኰነስ እቲ ሓድሽ መልገባ ነቲ ብላይ ይቐዶ፡ ምቕዳዱ ኸኣ ዝገደደ እዩ ዝኸውን። 22ንሓድሽ ወይኒ ድማ፡ ኣብ ሓደስቲ ኣሕርብቲ የዕርቕዎ እምበር፡ ንሓድሽ ወይንስ ኣብ ኣረገውቲ ኣሕርብቲ ዘዕርቖ የልቦን። እንተ ዘይኰነስ እቲ ሓድሽ ወይኒ ነቲ ኣሕርብቲ ይቐዶ፡ እቲ ወይኒ ይፈስስ፡ ኣሕርብቲውን ይበላሾ። 23ኰነ ድማ፡ የሱስ ብሰንበት ብማእከል ዝሩእ ግርሁ ክሓልፍ ከሎ፡ ደቀ መዛሙርቱ መገዲ እናኸዱ፡ ሰዊት ክምንቍሱ ጀመሩ። 24ፈሪሳውያን ድማ፡ ርአ፡ ስለምንታይ ብሰንበት ምግባሩ ዘይተፈቕደ ይገብሩ ኣለዉ፧ በልዎ። 25-26ንሱ ኸኣ፡ ዳዊት ምስ ሰኣነን ምስ ጠመየን ዝገበሮስ፡ ንሱን እቶም ምስኡ ዝነበሩን ብዘመን ኣብያታር ሊቀ ኻህናት ከመይ ኢሉ ናብ ቤት ኣምላኽ ከም ዝኣተወ፡ ብጀካ ንኻህናት እምበር፡ ምብላዑ ዘይግባእ እንጌራ ምርኣይ ከም ዝበልዐ፡ ነቶም ምስኡ ዝነበሩውን ከም ዝሃቦምሲ፡ እኳዶ ኣየንበብኩምን፧ በሎም። 27ሰንበት ደኣ እያ ምእንቲ ሰብ እተፈጥረት እምበር፡ ሰብሲ ምእንቲ ሰንበት ኣይኰነን። 28እምበኣርከ ወዲ ሰብ ጐይታ ሰንበት ድማ እዩ፡ በሎም።
ወን.ማርቆስ ምዕራፍ 3
1ከም ብሓድሽ ድማ ናብ ቤት ጸሎት ኣተወ፡ ኣብኡ ኸኣ ኢዱ ዝነቐጸት ሰብኣይ ነበረ። 2ምእንቲ ክኸስዎ ድማ፡ ብሰንበት እንተ ኣሕወዮ ይጸናጸንዎ ነበሩ። 3ነቲ ኢዱ ዝነቐጸት ሰብኣይ፡ ተንስእ እሞ ኣብ ማእከል ደው በል፡ በሎ። 4ንሱ ድማ፡ ብሰንበትሲ ጽቡቕ ምግባርዶ ወይስ ክፉእ ምግባር፡ ምድሓን ነፍሲዶ ወይስ ምቕታላ ይግባእ፧ በሎም። ንሳቶም ግና ኣጽቀጡ። 5በቲ ድርቅና ልቦም ጕህዩ፡ ብኹራ ጠመቶም፡ ነቲ ሰብኣይ ከኣ፡ ኢድካ ዘርግሕ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ ዘርግሓ፡ እታ ኢዱውን ሓወየት። 6ፈሪሳውያን ድማ ብኡብኡ ወጺኦም፡ ከመይ ገይሮም ከም ዘጥፍእዎ፡ ምስ ሄሮድሳውያን ኰይኖም ብዛዕባኡ ተማኸሩ።
7የሱስ ድማ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ናብ ባሕሪ ኣግለሰ። ካብ ይሁዳን ካብ ገሊላን ከኣ ብዙሕ ህዝቢ ሰዓቦ። 8ከመይ ዝበለ ዓብዪ ግብሪ ኸም ዝገበረ ምስ ሰምዑ፡ ካብ የሩሳሌም፡ ካብ ኤዶምያስ፡ ካብ ማዕዶ ዮርዳኖስ፡ ካብ ምድሪ ጢሮስን ሲዶናን ብዙሓት ህዝቢ ናብኡ ተኣከቡ። 9ንደቀ መዛሙርቱ ድማ እቲ ህዝቢ ምእንቲ ኸይደፍኦ፡ ንእሽቶ ጃልባ ኸጽንሑሉ ነገሮም። 10ንብዙሓት ኣሕውይዎም ነበረ እሞ፡ ስለዚ ሕማም ዘለዎም ኩሎም ምእንቲ ኽትንክይዎ ኣብኡ ይወድቁ ነበሩ። 11ርኹሳት መናፍስቲውን ምስ ረኣይዎ፡ ንስኻ ወዲ ኣምላኽ ኢኻ፡ ኢሎም እናጨደሩ ኣብ ቅድሚኡ ተደፍኡ። 12ንሱ ኸኣ ከየግህድዎ ብዙሕ ገንሖም።
13ናብ ከረን ደይቡ ድማ፡ ንዝደለዮም ጸውዐ፡ ናብኡ ኸኣ መጹ። 14ምስኡምእንቲ ክዀኑን ክሰብኩ ምእንቲ ኽልእኮምን፡ ዓሰርተው ክልተ ገበሮም፡ 15ሕሙማት ከሕውዩ ኣጋንንቲውን ከውጽኡ ድማ፡ ስልጣን ሃቦም። 16ንስምኦን ከኣ ጴጥሮስ ኣውጽኣሉ፡ 17ያእቆብ ወዲ ዘብዴዎስ፡ ዮሃንስ ከኣ ሓዉ፡ ንኣታቶም ድማ ቦኣኔርጌስ ኣውጻሎም፡ ማለት፡ ደቂ ነጐዳ። 18እንድርያስን ፊልጶስን በርተሎሚዎስን ማቴዎስን ቶማስን ያእቆብ ወዲ እልፍዮስን ታዴዎስን ስምኦን ብዓል ቃናን፡ 19እቲ ዘትሓዞ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ድማ።
20ናብ ቤት ከኣ ኣተወ፡ ምብላዕ እንጌራ ኽሳዕ ዝስእኑ ኸኣ፡ ከም ብሓድሽ ብዙሕ ህዝቢ ተኣከበ። 21ኣዝማዱ ምስ ሰምዑ፡ ተጸሊሉ ኢሎምዎ ነበሩ እሞ፡ ክሕዝዎ መጹ። 22ካብ የሩሳሌም ዝወረዱ ጸሓፍቲ ድማ፡ ብኤልዜቡል ኣለዎ፡ ነጋንንቲ ብሓለቓ ኣጋንንቲ እዩ ዘውጽኦም ዘሎ፡ በሉ። 23የሱስ ጸውዖም፡ ብምስላታት ከኣ በሎም፡ ሰይጣን ከመይ ገይሩ ንሰይጣን ከውጽኦ ይዀነሉ፧ 24መንግስቲ ንሓድሕዳ እንተ ተፋላለየት፡ እታ መንግስቲ እቲኣ ኽትቀውም ኣይትኽእልን እያ። 25ቤትውን ንሓድሕዳ እንተ ተፋላለየት፡ እታ ቤት እቲኣ ኽትቀውም ኣይትኽእልን። 26ሰይጣን ከኣ ንገዛእ ርእሱ እንተ ተጻረረን እንተ ተፋላለየን፡ ይጠፍእ እምበር፡ ክቐውም ኣይክእልን። 27ሓደ እኳ፡ ቅድም ነቲ ሓያል እንተ ዘይኣሰረ፡ ናብ ቤት ሓያል ኣትዩ ገንዘቡ ኽብዝብዝ ዝኽእል የልቦን። ሽዑ ኸኣ ቤቱ ይብዝብዝ። 28ንደቂ ሰብ ኩሉ ሓጢኣትን ዝጸረፍዎ ዘበለ ጸርፍን ክሕደገሎም እዩ። 29እቲ ንመንፈስ ቅዱስ ዝጸረፈ ግና ሓጢያቱ ንዘለኣለም ይኹንኖ እምበር፡ ንዘለኣለም ሕድገት ከም ዘይረክብ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 30ርኹስ መንፈስ ኣለዎ፡ ስለ ዝበሉ እዩ እዚ ዝበሎም።
31ኣዲኡን ኣሕዋቱን መጹ፡ ብወጻኢ ደው ኢሎም ከኣ ጸዋዕቲ ለኣኹሉ። 32ብዙሕ ህዝቢ ኸቢብዎ ተቐሚጡ ነበረ እሞ፡ እንሆ ኣዴኻን ኣሕዋትካን ኣብ ወጻኢ ኣለዉ ይደልዩኻውን ኣለዉ፡ በልዎ። 33መሊሱ፡ ኣደይ መን እያ፡ ኣሕዋተይከ እንመን እዮም፧ በሎም። 34ነቶም ከቢቦምዎ ተቐሚጦም ዘለዉ ጠሚቱ ኸኣ፡ ኣደይን ኣሕዋተይንሲ እነዉ። 35ሓወይን ሓብተይን ኣደይንሲ ፍቓድ ኣምላኽ ዝገብር ዘበለ ዅሉ እዩ፡ በሎም።
ወን.ማርቆስ ምዕራፍ 4
1ከም ብሓድሽ ድማ ኣብ ገምገም ባሕሪ ክምህር ጀመረ። ኣብቲ ባሕሪ ናብ ጃልባ ኣትዩ ኽሳዕ ዝቕመጥ፡ ብዙሕ ህዝቢ ናብኡ ተኣከበ። ኩሉ እቲ ህዝቢ ኸኣ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ኣብ ምድሪ ነበረ። 2ብብዙሕ ምስላታት ድማ መሃሮም፡ በቲ ምህሮኡ ኸኣ በሎም፡ 3ስምዑ፡ እንሆ፡ ዘራኢ ኽዘርእ ወፈረ። 4ኰነ ኸኣ፡ ክዘርእ ከሎ፡ ገለ ኣብ ጥቓ መገዲ ወደቐ፡ ኣዕዋፍ መጺአን ድማ በልዓኦ። 5ገሊኡ ኸኣ ብዙሕ ሓመድ ኣብ ዘይብሉ ኸውሒ ወደቐ፡ ዓሚቑ ሓመድ ዘይብሉ ስለ ዝዀነ ድማ ቀልጢፉ በቘለ። 6ጸሓይ ምስ በረቐት ግና፡ ሃጐጐ፡ ሱር ስለ ዘይብሉውን ነቐጸ። 7ገሊኡ ኸኣ ኣብ እሾኽ ወደቐ፡ እቲ እሾኽ ከኣ ዓብዩ ሓነቖ ፍረውን ኣይፈረየን። 8ገሊኡ ድማ ኣብ ጽቡቕ ምድሪ ወደቐ፡ ዝበቁልን ዝዓብን ፍረ ኸኣ ሃበ፡ ገሊኡ ሰላሳ፡ ገሊኡ ስሳ፡ ገሊኡ ኸኣ ሚእቲ ፈረየ። 9ንምስማዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ፡ በለ።
10ንበይኑ ምስ ኰነ፡ እቶም ከቢቦምዎ ዘለዉ ምስቶም ዓሰርተው ክልተ ዀይኖም፡ ብዛዕባ እቲ ምስላ ሓተትዎ። 11ንሱ ኸኣ በሎም፡ ምፍላጥ ምስጢር መንግስቲ ኣምላኽ ንኣኻትኩም እዩ እተዋህበ፡ ነቶም ብወጸኢ ዘለዉ ግና፡ 12እናረኣዩ ኽርእዩ እሞ ከይስወጦም፡ እናሰምዑ ኽሰምዑ እሞ ከየስተውዕሉ፡ ከይምለሱ ይቕረውን ምእንቲ ኸይብለሎምሲ፡ ኩሉ ብምስላ እዩ ዝኸውን። 13በሎም ድማ፡ ነዚ ምስላ እዝዶ ኣይፈለጥኩምዎን፧ ከመይ ጌርኩም ደኣ ንኹሉ ምስላታት ከተስተውዕልዎ ኢኹም፧ 14እቲ ዘራኢ ነቲ ቓል ይዘርኦ። 15እቶም ቃል ኣብ እተዘርኦ ጥቓ መገዲ ዘለዉ እዚኣቶም እዮም፡ ምስ ሰምዑ፡ ብኡብኡ ሰይጣን መጺኡ ነቲ ኣብ ልቦም እተዘርአ ቓል ይወስዶ። 16ከምኡ ኸኣ እቶም ኣብ ከውሒ እተዘርኡ እዚኣቶም እዮም፡ ነቲ ቓል ምስ ሰምዕዎ፡ ብኡብኡ ብሓጐስ ይቕበልዎ። 17ንሽዑ እዮም እምበር፡ ሱር የብሎምን፡ ደሓር ስለቲ ቓል መከራ ወይስ ስደት ምስ ኰነ፡ ቀልጢፎም ይዕንቀፉ። 18እቶም ኣብ እሾዅ እተዘርኡ ድማ እዚኣቶም እዮም፡ ነቲ ቓል ዝሰምዕዎ፡ 19ሓልዮት እዛ ዓለም እዚኣን ምዕሻው ሃብትን ካልእ ትምኒትን ኣትዩ ኸኣ፡ ነቲ ቓል ይሓንቆ፡ ፍረ ዘይብሉ ድማ ይኸውን። 20እቶም ኣብ ጽቡቕ ምድሪ እተዘርኡ ኸኣ እዚኣቶም እዮም፡ ነቲ ቓል ዝሰምዕዎ ዝቕበልዎን ፍረ ኸኣ ዝፈርዩ፡ ገሊኡ ሰላሳ፡ ገሊኡ ስሳ ገሊኡውን ሚእቲ።
21በሎም ድማ፡ መብራህቲዶ ኣብ ትሕቲ ኸፈር ወይስ ኣብ ትሕቲ ዓራት ከንብርዎ የምጽኡ፧ ኣብ ቀዋሚ ቐንዴል ከንብርዎ ደይኰነን፧ 22ዘይገሃድ ሕቡእ የልቦን፡ ናብ ብርሃን ዘይመጽእ ስዉር ድማ የልቦን። 23ንምስማዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ። 24ድማ በሎም፡ ብትሰምዕዎ ተጠንቀቑ። በቲ እትሰፍሩሉ መስፈሪ ኽስፈረልኩም ክውሰኸልኩምውን እዩ። 25ንዘለዎ ይወሃቦ እዩ እሞ፡ ነቲ ዘይብሉ ግና እታ ዘላቶ እኳ የግድፍዎ ደኣ።
26በለውን፡ መንግስቲ ኣምላኽ ዘርኢ ኣብ ምድሪ ኸም ዝዘርእ ሰብኣይ እያ። 27ንሱ ለይትን ምዓልትን ይድቅስን ይትንስእን። እቲ ዘርኢ ድማ፡ ንሱ ኸይፈለጠ፡ ይበቍል ይዓቢውን። 28እታ ምድሪ ባዕላ ትፈሪ፡ ቅድም ጮማ ብቝሊ፡ ደሓር ሰዊት፡ ኣብቲ ሰዊት ድማ ብጹሕ ስርናይ። 29ምስ በጽሐ፡ ቀውዒ ኣትዩ እዩ እሞ፡ ማዕጺዱ ይሰድድ።
30በለ ድማ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ብምንታይ ክንምስላ፧ ወይስ እንታይ ምስላኡ ኽንገብረላ ኢና፧ 31ኣብ ምድሪ ኸም እተዘርአት እሞ ካብ ኵሉ ዘርኢ እትንእስ ፍረ ኣድሪ እያ። 32ምስ ተዘርአት ከኣ፡ ትበቍል፡ ካብ ኵሉ ኣሕምልቲውን ትዓቢ። ኣዕዋፍ ሰማይ ኣብ ጽላላ ምስራሕ እንዳአን ክሳዕ ዝኽእላ ኸኣ፡ ዓበይቲ ጨነፍር ትገብር።
33ምስማዑ ብዝከኣሎም መጠን፡ በዚ ኸምዚ ዝበለ ምስላታት ብዙሕ ነገር ተዛረቦም። 34ብዘይ ምስላ ኸኣ ኣይተዛረቦምን። ንደቀ መዛሙርቱ ግና ኣብ በይኖም ኵሉ ይገልጸሎም ነበረ።
35በታ መዓልቲ እቲኣ ምድሪ ምስ መሰየ፡ ናብ ማዕዶ ንሳገር፡ በሎም። 36ነቶም ህዝቢ ኣፋንዮም ድማ፡ ንእኡ ኸምታ ዘለዋ ምሳታቶም ብጃልባ ወሰድዎ። ካልኦት ጃላቡ ኸኣ ምስኡ ነበራ። 37ህቦብላ ብርቱዕ ንፋስን ድማ ዀነ፡ እታ ጃልባ ኽሳዕ እትመልእ፡ ማዕበል ናብታ ጃልባ ኣተወ። 38ንሱ ኸኣ ብወገን ድሕሪት እታ ጃልባ ተተርኢሱ ደቂሱ ነበረ። ኣተንሲኦም ድማ፡ መምህር፡ ክንጠፍእዶ ግድና የብልካን፧ በልዎ። 39ተንሲኡ ንንፋስ ገንሖ፡ ንባሕሪ ድማ፡ ስቕ በሊ፡ ህድኢ በላ። እቲ ንፋስ ዝግ በለ፡ ዓብዪ ህድኣትውን ኰነ። 40ንሱ ኸኣ፡ ስለምንታይ እዩ ኸምዚ ዝፈራህኩም፧ ከመይ፡ እምነትዶ የብልኩምን ፥ በሎም። 41ኣዝዮም ፈርሁ ንሓድሕዶምውን፡ እዚ ንፋስን ባሕርን ዝእዘዙሉስ መን ኰን እዩ፧ ተባሃሃሉ።
ወን.ማርቆስ ምዕራፍ 5
1ናብ ማዕዶ ባሕሪ፡ ናብ ሃገር ጌርጌሴኖን መጹ። 2ካብ ጃልባ ምስ ወጸ፡ ብኡብኡ ርኹስ መንፈስ ዝሓደሮ ሰብኣይ ካብ መቓብር ወጺኡ ተጓነፎ። 3ንሱ ኣብ መቓብር ይነብር ነበረ፡ ብመቝሕ እኳ ኸጽንዖ ዝኽኣለ ኣይነበረን። 4ብመቝሕን ብሰንሰለትን ብዙሕ ሳዕ ይእሰር ነበረ፡ ንመቑሕ ይሰብሮ፡ ንሰንሰለትውን ይበትኮ ነበረ እሞ፡ ከሕምቖ ዝኸኣለ ከቶ ኣይነበረን። 5ኩሉ ሳዕ ድማ ለይትን መዓልትን ኣብ መቓብርን ኣብ ኣኽራንን ኰይኑ የእዊ፡ ስጋኡ ኸኣ ብጽልጽለ ይበጥሕ ነበረ። 6ንየሱስ፡ ርሑቕ ከሎ፡ ምስ ረኣዮ፡ ጐይዩ ሰገደሉ እሞ፡ 7ዎ የሱስ ወዲ ልዑል ኣምላኽ፡ ምሳኻ እንታይ ኣሎኒ፧ ከይተሳቕየኒ ብኣምላኽ አምሕለካ ኣለኹ፡ እናበለ ብዓብዪ ድምጺ ጨደረ። 8የሱስ፡ ኣታ ርኹስ መንፈስ፡ ካብዚ ሰብኣይዚ ውጻእ፡ ስለ ዝበሎ እዩ። 9ስምካኸ እንታይ እዩ፧ ኢሉ ሓተቶ። ንሱ ኸኣ፡ ብዙሓት ኢና እሞ፡ ስመይ ለጌዎን እዩ፡ በሎ። 10ካብታ ሃገር ከየውጽኦም፡ ብዙሕ ለመኖ። 11ኣብኡ ብርቱዕ መጓሰ ሓሰማታት ኣብ ጸግዒ ኸረን ይበልዕ ነበረ። 12ንሳቶም ከኣ፡ ናብተን ሓሰማታት ስደደና እሞ ናብአን ክንኣቱ፡ ኢሎም ለመንዎ። 13የሱስ ከኣ ብኡብኡ ፈቐደሎም። እቶም ርኹሳት መናፍስቲ ወጺኦም ናብተን ሓሰማታት ኣተዉ። እቲ መጓሰ ኸኣ ካብቲ ጸድፊ ናብ ባሕሪ ጸደፈ። ኣስታት ክልተ ሽሕ ነበራ። ኣብ ባሕሪ ጥሒለን ሞታ። 14እቶም ጓሶት ድማ ሃደሙ፡ ኣብ ከተማን ኣብ ዓድታትን ከኣ ኣውረዩ። እቶም ሰብ ከኣ እቲ ዝዀነ ኽርእዩ ወጹ። 15ናብ የሱስ መጹ፡ እቲ ርኹሳት መናፍስቲ ሒዞምዎ ዝነበሩ፡ ለጌዎን ዝነበርዎ፡ ተቐሚጡ፡ ተኸዲኑ፡ ናብ ልቡ ተመሊሱ ረኣይዎ እሞ ፈርሁ። 16እቶም ዝረኣዩ ድማ እቲ ርኹስ መንፈስ ዝነበሮ ኸመይ ከም ዝዀነን ብናይተን ሓሰማታትን ነገርዎም። 17ካብ ወሰን ምድሮም ከግልሰሎም ከኣ ክልምንዎ ጀመሩ። 18ኣብ ጃልባ ኽኣቱ ኸሎ፡ እቲ ርኹስ መንፈስ ዝነበሮ ምስኡ ክኸውን ለመኖ። 19የሱስ ግና፡ ናብ ቤትካ ኣብ ሰብካ ኺድ፡ እግዚኣብሄር ከመይ ዝበለ ዓብዪ ግብሪ ኸም ዝገበረልካን ከም ዝመሓረካን ንገሮም፡ በሎ እምበር፡ ኣይፈቐደሉን። 20ከይዱ ኸኣ፡ የሱስ ከመይ ዝበለ ዓብዪ ግብሪ ኸም ዝገበረሉ፡ ኣብ ዓሰርተ ኸተማ ኽሰብኽ ጀመረ፡ ኵሎምውን ተደነቑ። 21ከም ብሓድሽ ድማ የሱስ ብጃልባ ናብ ማዕዶ ምስ ተሳገረ፡ ብዙሕ ህዝቢ ናብኡ ተኣከበ። ኣብ ጥቓ ባሕሪ ኸኣ ነበረ። 22ካብ መራሕቲ ቤት ጸሎት ሓደ፡ ያኢሮስ ዝስሙ መጸ። ምስ ረኣዮ ኸኣ፡ ኣብ እግሩ ወዲቑ፡ 23ጓለይ ክትመውት ኢላ ኣላ እሞ፡ ምእንቲ ኽትፍወስን ክትሓውንሲ፡ መጺእካ ኢድካ ኣንብረላ፡ ኢሉ ኣጽኒዑ ለመኖ። 24ምስኡ ድማ ኸደ፡ ብዙሓት ህዝቢ ኸኣ ሰዓብዎ፡ ይደፍእዎውን ነበሩ። 25ካብ ዓሰርተው ክልተ ዓመት ሒዙ ደም ዛሕዛሕ ዝብላ ሰበይቲ ነበረት። 26ንሳ ብብዙሓት ሓኪማት ብዙሕ ተሰቀየት፡ ኩሉ ገንዘባውን ወድአት፡ ግናኸ ገደዳ እምበር፡ ኣይጠቐማን። 27-28ብዛዕባ የሱስ ምስ ሰምዐት፡ ክዳኑ ጥራይ እንተ ተንከኹ፡ ክሓዊ እየ፡ ኢላ ኣላ እሞ፡ ብማእከል እቶም ህዝቢ ብድሕሪኡ መጺኣ ኽዳኑ ተንከየት። 29ብኡብኡ ዓይኒ ደማ ነቐጸ፡ ካብ ሕማማ ከም ዝሓወየት ከኣ ብነፍሳ ተፈለጣ። 30ሽዑ የሱስ፡ ካብኡ ሓይሊ ኸም ዝወጸ ብውሽጡ ተፈሊጥዎ፡ ናብቶም ህዝቢ ግልጽ ኢሉ፡ መን እዩ ኽዳነይ ዝተንከየ፧ በለ። 31ደቀ መዛሙርቱ ድማ፡ ህዝቢ ኽደፍኣካ ትርኢ ኣሎኻ፡ ንስኻ ግና፡ መን ተንከየኒ፧ ትብል፡ በልዎ። 32ነታ እዚ ዝገበረት ክርኢ ድማ ግልጽ ግልጽ በለ። 33እታ ሰበይቲ ኸኣ እቲ ኣብኣ ዝዀነ ነገር ፈሊጣ ነበረት እሞ ፈሪሃ፡ ራዕራዕ እናበለት መጺኣ ሰገደትሉ ኹሉ እቲ ሓቂውን ነገረቶ። 34ንሱ ኸኣ፡ ጓለየ፡ እምነትኪ ኣድሓነትኪ። ብሰላም ኪዲ፡ ካብ ሕማምኪውን ጥዓዪ፡ በላ። 35ገና እዚ ኽዛረብ ከሎ፡ ካብ ገዛ መራሕ ቤት ጸሎት፡ ጓልካ ሞይታ፡ ደጊምከ ስለምንታይ ንመምህር ተድክሞ ኣሎኻ፧ ዝብልዎ መጹ። 36የሱስ ከኣ እዚ ዘረባ እዚ ኽዛረቡ ምስ ሰምዐ፡ ነቲ መራሕ ቤት ጸሎት፡ ኣይትፍራህ፡ እመን ደኣ፡ በሎ። 37ብዘይ ጴጥሮስን ያእቆብን ዮሃንስ ሓዉ ያእቆብን፡ ሓደ እኳ ኽስዕቦ ኣይፈቐደን። 38ናብ ገዛ እቲ መራሕ ቤት ጸሎት ከኣ ኣተዉ፡ ጫውጫው ዝብሉን ዝበኽዩን ብዙሕ ዋይዋይ ዝብሉን ረኣየ። 39ኣትዩ፡ እዛ ቘልዓ ደቂሳ ኣላ እምበር፡ ኣይሞተትን፡ ስለምንታይከ ጫውጫው ትብሉን ትበኽዮን ኣሎኹም፧ በሎም። 40ሰሓቕዎ ድማ። ንሱ ግና ንኹሎም ኣውጺኡ፡ ኣቦ እታ ቘልዓን ኣዲኣን እቶም ምስኡ ዘለውን ሒዙ፡ ናብቲ እታ ቖልዓ ዘላቶ ኣተወ። 41ኢድ እታ ቘልዓ ሒዙ ኸኣ፡ ጣሊታ ቁሚ፡ በላ። ትርጓሚኡ፡ ኣቲ ጓል፡ ተንስኢ፡ እብለኪ ኣሎኹ፡ እዩ። 42እታ ጓል ድማ ብኡብኡ ተንስአት፡ ዓሰርተው ክልተ ዓመት ገይራ ነበረት እሞ፡ ተዛወረት። ሽዑ ዓብዪ ምግራም ተገረሙ። 43ነዚ ሓደ እኳ ኸይፈልጦ፡ ኣሕሚሙ ኣዘዞም፡ ዝብላዕ ክህብዋ ኸኣ ነገሮም።
ወን.ማርቆስ ምዕራፍ 6
1ካብኡ ወጺኡ ናብ ዓዱ መጸ፡ ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ ሰዓብዎ። 2ብሰንበት ድማ ኣብ ቤት ጸሎት ክምህር ጀመረ። ብዙሓት ንእኡ ሰሚዖም፡ ነዚ ነገርዚ ኻበይ ረኸቦ፧ ከምዚ ዝበለ ሓይልታት ብኢዱ ዝግበርከ፡ እንታይ ጥበብ ተዋህበቶ፧ 3እዝስ እቲ ጸራቢ ወዲ ማርያም፡ ሓው ያእቆብን ዮሴፍን ይሁዳን ስምኦንን ደይኰነን፧ ኣሓቱስ ኣብዚዶ ምሳና ኣየለዋን፧ እናበሉ ተገረሙ፡ ብእኡ ኸኣ ተዓንቀፉ። 4የሱስ ድማ፡ ነብዪ ብዘይ ኣብ ዓዱን ኣብ ኣዝማዱን ኣብ ቤቱን ኣይነዓቕን እዩ፡ በሎም። 5ኣብኡ ኸኣ፡ ብዘይ ንሒደት ሕሙማት ኢዱ ኣንቢሩ ዘሕወዮም እምበር፡ ሓይሊ ኽገብር ኣይኰነሉን። 6በቲ ዘይምእማኖም ድማ ገረሞ። እናመሃረ ኸኣ ኣብቲ ኣብ ከባቢ ዘሎ ዓድታት ዞረ። 7ነቶም ዓሰርተው ክልተ ድማ ጸውዖም በብኽልተውን ክልእኮም ጀመረ። ኣብ ርኹሳት መናፍስቲ ኸኣ ስልጣን ሃቦም። 8ንመገዲ ድማ በትሪ ጥራይ እምበር፡ ለቘታ ዀነ፡ እንጌራ ዀነ፡ ገለ ገንዘብ እኳ ኣብ ቅናውቶም ከይማልኡ ኣዘዞም። 9ግናኸ ኣሳእንኩም ኣእትዉ፡ ክልተ ቐምሽ ኣይትከደኑ፡ በሎም። 10ኣብታ ዝኣቶኹምዋ ቤት፡ ካብኣ ክሳዕ እትወጹ፡ ኣብኣ ተቐመጡ። 11ኣብታ ዘይተቐበሉኹም ወይስ ዘይሰምዑኹም ስፍራ፡ ካብኣ ወጺእኩም፡ ንኣታቶም ንምስክር ተጐጓ ኣእጋርኩም ንገፉ። ብመዓልቲ ፍርዲ ኻብ ነታ ዓዲ እቲኣስ ንሶዶምን ንጎሞራን ከም ዝቐልል፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ በሎም። 12ንሳቶም ድማ ወጺኦም፡ ሰብ ክንሳሕ ሰበኹ። 13ብዙሓት ኣጋንንቲ ኣውጽኡ ንብዙሓት ሕሙማትውን ዘይቲ ለለኽዮም ኣሕወይዎም። 14ንጉስ ሄሮድስ ድማ እዚ ሰምዐ፡ ስሙ ተጋሂዱ ነበረ እሞ፡ ዮሃንስ መጥምቕ ካብ ምዉታት ተንሲኡ እዩ፡ ስለዚ ኸምዚ ዝበለ ሓይሊ ብእኡ ይግበር ኣሎ፡ በለ። 15ካልኦት ግና፡ ኤልያስ እዩ፡ በሉ። ካልኦት ከኣ፡ ነብዪ ኸም ሓደ ኻብ ነብያት እዩ፡ በሉ። 16ሄሮዶስ ግና እዚ ምስ ሰምዐ፡ እዚ እቲ ኣነ ርእሱ ዘሰየፍክዎ ዮሃንስ እዩ፡ ንሱ ኻብ ምዉታት ተንሲኡ፡ በለ። 17-18ዮሃንስ ንሄሮዶስ፡ ሰበይቲ ሓዉካ ንኣኻ ኽትከውን ኣይግብኣካን፡ ኢልዎ ነበረ። ሄሮዶስ ንሄሮድያዳ ሰበይቲ ፊልጶስ ሓዉ ኣእትይዋ ነበረ እሞ፡ ብሰራ ልኢኹ ንዮሃንስ ሒዙ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣሲርዎ ነበረ። 19-20ሄሮዶስ ንዮሃንስ ጻድቕ፡ ቅዱስ ሰብኣይ ምዃኑ ፈሊጡ ይፈርሆ ነበረ እሞ፡ ይሕልዎ ኸኣ ነበረ። ምስ ሰምዖ ድማ፡ ይጭነቕ ብሓጐስውን ይሰምዖ ነበረ። ሄሮድያዳ ኸኣ ተቐየመቶ፡ ክትቀትሎውን ደለየት፡ ግናኸ ኣይተኻእላን። 21ምሽእቲ መዓልቲ ምስ ኰነ፡ ሄሮዶስ እተወልደላ መዓልቲ፡ ሽዑ ንዓበይቱን ንሸለቃታትን ንሹማምቲ ገሊላን ምሳሕ ገበረ። 22ጓል ሄሮድያዳ ድማ ኣትያ ሳዕስዐት፡ ንሄሮድስን ምስኡ ንተቐመጡን ከኣ ኣሐጐሰቶም። እቲ ንጉስ ነታ ጓል፡ ዝደሌኽዮ ለምንኒ እሞ ኽህበኪ፡ በላ። 23ክሳዕ ፍርቂ መንግስተይ እንተ ዀነ እኳ፡ ዝለመንክኒ ኽህበኪ እየ፡ ኢሉ መሓለላ። 24ወጺኣ ድማ ነዲኣ፡ እንታይ ክልምኖ፧ በለታ ንሳ ኸኣ፡ ርእሲ ዮሃንስ መጥምቕ፡ በለታ። 25ብኡብኡ ቐልጢፋ ናብ ንጉስ ኣትያ፡ ርእሲ ዮሃንስ መጥምቕ ሕጂ ሕጂ ኣብ ሒላብ ጌርካ ኽትህበኒ እደሊ ኣሎኹ፡ ኢላ ለመነቶ። 26እቲ ንጉስ ኣዝዩ ሓዘነ፡ ስለቲ ማሕላኡን ስለቶም መቓምጡን ግና ክኸልኣ ኣይፈተወን። 27ብኡብኡ ድማ እቲ ንጉስ ንሓደ ዓቀይታይ፡ ርእሱ ኸምጽእ ኣዚዙ፡ ለኣኾ። ንሱ ኸኣ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኸይዱ ርእሱ ሰየፈ። 28ብሒላብ ኣምጺኡ ድማ፡ ነታ ጓል ሃባ፡ እታ ጓልውን ነዲእ ሃበታ። 29ደቀ መዛሙርቱ ድማ ሰሚዖም መጹ፡ ነቲ ሬሳኡ ኣልዒሎም ናብ መቓብር ኣእተውዎ። 30እቶም ሃዋርያት ድማ ናብ የሱስ ተኣከቡ፡ ዝገበርዎን ዝመሃርዎን ከኣ ኣዛረብዎ። 31ንምብላዕ እኳ ግዜ ኽሳዕ ዝስእኑ፡ ዝመጹን ዝኸዱን ብዙሓት ነበሩ እሞ፡ ኣብ ጽምዊ ቦታ ብሕት ኢልኩም፡ ሓንሳእ ክትዓርፉ ንዑናይ፡ በሎም። 32በይኖም ብጃልባ ናብ ጽምዊ ቦታ ኸዱ። 33ክኸዱ ኸለዉ ኸኣ፡ ረኣይዎም፡ ብዙሓትውን ኣለለይዎም። ካብ ኵለን ከተማታት ድማ ብእግሪ ናብኡ ጐየዩ። ቀዲሞምዎም ድማ መጹ፡ ናብኡውን ተኣከቡ። 34የሱስ ምስ ወጸ፡ ብዙሕ ህዝቢ ረኣየ። ሓላዊ ኸም ዘይብለን ኣባጊዕ ነበሩ እሞ፡ ደንገጸሎም፡ ብዙሕውን ክምህሮም ጀመረ። 35እቲ ግዜ ኣዝዩ ምስ ሓለፈ፡ ደቀ መዛሙርቱ ቐሪቦም፡ እዛ ቦታ እዚኣ በረኻ እያ፡ ምድሪ ኸኣ መስዩ እዩ። 36ዝብላዕ የብሎምን እሞ፡ ኣብ ጥቓና ናብ ዘሎ ኣቝሻትን ዓድታትን ከይዶም፡ ንኣታቶም ዝበልዕዎ ኽዕድጉ ኣሳናብቶም፡ በልዎ። 37ንሱ ግና መሊሱ፡ ክበልዑ ንስኻትኩም ሃብዎም፡ በሎም። ንሳቶም ከኣ፡ ኬድናዶ ብኽልተ ሚእቲ ዲናር እንጌራ ኽንዕድግ እሞ ክበልዑ ኽንህቦም፧ በልዎ። 38ንሱ ድማ፡ ክንደይ እንጌራ ኸም ዘሎኩም ኪዱ ርኣዩ፡ በሎም። ምስ ፈለጡ፡ ሓሙሽተን ክልተ ዓሳን፡ በልዎ። 39ንዅሎም በብመኣዲ እናሰርዑ ኣብ ለምለም ሳዕሪ ከቐምጥዎምውን ኣዘዞም። 40ከከም መስርዖም በብሚእቲን በብሓምሳን ተቐመጡ። 41ነቲ ሓሙሽተ እንጌራን ክልተ ዓሳን ኣልዒሉ፡ ናብ ሰማይ ገጹ ቝሊሕ ኢሉ ባረኸ። ነተን እንጌራ ቘሪሱ ክቕርቡሎም ንደቀ መዛሙርቱ ሃቦም። እቲ ኽልተ ዓሳውን ንዅሎም መቐሎም። 42ኵሎም ድማ በሊዖም ጸገቡ። 43እቲ ቘረርስውን ዓሰርተው ክልተ መሶብ ምሉእ ኣልዓሉ፡ ካብቲ ዓሳ ድማ። 44እቶም እንጌራ ዝበልዑ ኸኣ ሓሙሽተ ሽሕ ሰብኣይ እዮም። 45ብኡብኡ ድማ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ነቶም ህዝቢ ኽሳዕ ዘሳናብት፡ ናብ ጃልባ ኣትዮም ንማዕዶ ናብ ቤተሳይዳ ክቕድምዎ ብግዲ በሎም። 46ምስ ኣሳናበቶም፡ ክጽሊ ናብ ከረን ደየበ። 47ምድሪ ምስ መሰየ፡ እታ ጃልባ ኣብ ማእከል ባሕሪ ነበረት፡ ንሱ ድማ በይኑ ኣብ ምድሪ ነበረ። 48ንፋስ ብቕድሚኦም ነበረ እሞ፡ ክኸዱ ኸለዉ ብማዕበል ክጭነቑ ረኣዮም። ብራብዓይ ምቃል ለይቲ ኣቢሉ ባሕሪ ባሕሪ እናኸደ፡ ናባታቶም መጸ ኽሓልፎምውን ደለየ። 49ንሳቶም ግና ባሕሪ ባሕሪ ክኸይድ ከሎ ምስ ረኣይዎ፡ ምትሃት መሲልዎም ጨርሑ። 50ኵሎም ረኣይዎ እሞ ሰምበዱ። ብኡብኡ ኸኣ፡ ኣጆኹም፡ ኣነ እየ፡ ኣይትፍርሁ፡ ኢሉ ተዛረቦም። 51ናባታቶም ከኣ ናብ ጃልባ ኣተወ። እቲ ንፋስ ድማ ሃድአ። ንሳቶምውን ብዙሕ ተገረሙ። 52ልቦም ተደፊኑ ነበረ እሞ፡ እቲ ናይ እንጌራ ነገር ኣየስተውዐልዎን። 53ምስ ተሳገሩ፡ ናብ ምድሪ ጌንሳሬጥ መጺኦም፡ ነታ ጃልባ ኣቘምዋ። 54ካብ ጃልባ ምስ ወጹ፡ ብኡብኡ ኣለለይዎ። 55ኣብ ኵላ እታ ሃገር ጐየዩ፡ ኣበይ ምህላዉ ምስ ሰምዑ ኸኣ፡ ዱኑሳት ብዓራታት ገይሮም ናብኡ ኽጸርዎም ጀመሩ። 56ኣብ ዝኣተዎ ዘበለ ድማ፡ ኣብ ዓድታት ኰነ፡ ወይ ኣብ ከተማታት፡ ወይ ኣብ ኣቝሻት፡ ነቶም ሕሙማት ኣብ ዕዳጋታት በጥ ኣበልዎም፡ ዘፈር ክዳኑ ክትንክዩ ድማ ለመንዎ። ዝተንከዮ ዘበለ ኹሉውን ሓወየ።
ወን.ማርቆስ ምዕራፍ 7
1ሽዑ ፈሪሳውያንን ሓያሎ ኻብ የሩሳሌም ዝመጹ ጻሓፍትን ናብኡ ተኣከቡ። 2ንሓያሎ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ ድማ ብዝረኸሳ፡ ማለት ብዘይተሓጽባ ኣእዳው እንጌራ ኽበልዑ ኸለዉ ረኣይዎም።— 3ፈሪሳውያንን ኩሎም ኣይሁድን ስርዓት ዓበይቲ ምእንቲ ኽሕልዉ፡ ኣእዳዎም ኣጸቢቖም ከይተሓጽቡ ከቶ ኣይበልዑን ነበሩ እሞ፡ 4ካብ ዕዳጋ ምስ መጹውን፡ ከይተሓጽቡ ኣይበልዑን ነበሩ። ካልእ ብዙሕ ድማ፡ ከም ምሕጻብ ጣሳን ዕትሮን ድስትን ዓራትን ዝመስል፡ ክሕልውዎ ኢሎም እተቐበልዎ ነበሮም።— 5ጸሓፍትን ፈሪሳውያን ድማ፡ ስለምንታይ ደቀ መዛሙርትኻ ኸም ስርዓት ዓበይቲ ዘይከዱ፡ ኢሎም ሓተትዎ። 6-7ንሱ ኸኣ በሎም፡ ኣቱም ግቡዛት፡ ከምቲ ጽሑፍ፡ እዚ ህዝቢ እዚ ብኸናፍሩ የኽብረኒ፡ ልቦም ግና ካባይ ርሑቕ እዩ። ግናኸ ምህሮ ስርዓት ሰብ እናመሃሩ፡ ብከንቱ እዮም ዘምልኹኒ ዝብል፡ ኢሳይያስ ብዛዕባኹም ጽቡቕ ተነበየ። 8ትእዛዝ ኣምላኽ ሓዲግኩም፡ ስርዓት ሰብ ትሕልዉ ኣሎኹም፡ ከም ምሕጻብ ጣሳን ዕትሮን፡ ብዙሕ ካልእ ድማ ነዚ ዝመስልን ትገብሩ ኣሎኹም። 9ስርዓትኩም ምእንቲ ኽትሕልዉ፡ ትእዛዝ ኣምላኽ ምፍራስኩምሲ ጽቡቕ ደኣ። 10ሙሴ፡ ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር፡ ነቦኡ ወይስ ነዲኡ ሕሱም ቃል ዘውስእ፡ ሞት ይሙት፡ ኢሉ ኣሎ። 11ንስኻትኩም ግና፡ ሰብ ነቦኡ ወይ ነዲኡ፡ እቲ ኻባይ እትጥቀመሉ ቝርባን ገይረዮ እየ፡ ማለት መባእ እዩ፡ እንተ በሎ፡ 12ደጊም ነቦኡ ወይስ ነዲኡ ሓደ ነገር ክገብረሎም ከቶ ኣይትፈቕዱሉን ኢኹም። 13ምእንቲ እቲ ዝሰራዕኩምዎ ስርዓትሲ ቓል ኣምላኽ ትስዕሩ፡ ነዚ ዝመስልውን ብዙሕ ትገብሩ ኣሎኹም። 14ነቶም ህዝቢ ኸም ብሓድሽ ጸዊዑ፡ ኩልኹም ስምዑንን ኣስተውዕሉን። 15ካብ ሰብ ዝወጽእ እዩ ንሰብ ዘርክሶ እምበር፡ ካብ ወጻኢ ናብ ሰብ ዝኣቱስ ገለ እኳ ኸርክሶ ኣይክእልን እዩ። 16እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ፡ በሎም። 17ካብቶም ህዝቢ ተፈልዩ ናብ ቤት ምስ ኣተወ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ብዛዕባ እዚ ምስላዚ ሓተትዎ። 18በሎም ከኣ፡ ንስኻትኩምዶ ድማ ክሳዕ ክንዲዚ ደናቝርቲ ኢኹም፧ ካብ ወጻኢ ናብ ሰብ ዝኣቱ ዅሉ ኸርክሶ ኸም ዘይክእልዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ 19ናብ ከብዲ እምበር፡ ናብ ልቢ ኣይወርድን እዩ እሞ፡ ንዅሉ መባልዕ እናጽረየ ድማ እዩ ንግዳም ዝወጽእ። 20በለ ድማ፡ እቲ ኻብ ሰብ ዝወጽእ ደኣ እዩ ንሰብ ዘርክሶ። 21ካብቲ ውሽጢ ልቢ ሰብ ክፉእ ሓሳብ ይወጽእ እዩ እሞ፡ ምንዝር፡ ስርቂ፡ ቅትለት፡ 22ዝሙት፡ ስስዐ፡ ክፍኣት፡ ጕርሒ፡ ቅለት፡ ቅንኣት፡ ጸርፊ፡ ኵርዓት፡ ዕሽነት። 23እዚ ዅሉ ኽፉእ ካብ ውሽጢ እዩ ዝወጽእ፡ ንሰብ ከኣ የርክሶ። 24ካብኡ ነቒሉ ኸኣ ናብ ወሰን ምድሪ ጢሮስን ሲዶናን ከደ። ናብ ቤት ምስ ኣተወ፡ ሓደ እኳ ኽፈልጦ ኣይፈተወን፡ ክሕባእ ከኣ ኣይኰነሉን። 25ሓንቲ ሰበይቲ፡ ጓላ ብርኹስ መንፈስ እተታሕዘታ፡ ወሪኡ ሰሚዓ መጸት፡ ኣብ እግሩውን ተደፍአት። 26እታ ሰበይቲ ጽርኣዊት ነበረት፡ ወለዶኣ ሶርያ ፍንቄ እዩ። ካብ ጓላ ጋኔን ከውጽኣላ ኸኣ ለመነቶ። 27የሱስ ድማ፡ እንጌራ ውሉድ ኣልዒልካ ነኽላባት ምሃብ ጽቡቕ ኣይኰነን እሞ፡ ሕደጊ፡ ቅድም እቶም ውሉድ ይጽገቡ፡ በላ። 28ንሳ ኸኣ፡ እወ ጐይታይ፡ ኣኽላባት ድማ ርፍራፍ ውሉድ ካብ ትሕቲ መኣዲ ይበልዑ እዮም፡ ኢላ መለሰትሉ። 29ንሱ ድማ ስለ እዚ ቓልዚ ኺዲ እቲ ጋኔን ካብ ጓልኪ ወጺኡ፡ በላ። 30ናብ ቤታ ምስ ተመልሰት፡ እታ ቘልዓ ኣብ ዓራት በጥ ኢላ፡ እቲ ጋኔን ከኣ ወጺኡላ ረኸበታ። 31ከም ብሓድሽ ድማ ካብ ወሰን ምድሪ ጢሮስ ወጸ፡ ብሲዶና ገይሩ ኸኣ፡ ንማእከል ዓሰርተ ዓዲ ናብ ባሕሪ ገሊላ ኸደ። 32ሓደ ጸማምን ዓባስን ናብኡ ኣምጺኦም፡ ኢዱ ኸንብረሉ ለመንዎ። 33ካብቶም ህዝቢ ንበይኑ ወሲዱ ድማ፡ ኣጻብዑ ኣብ ኣእዛኑ ኣንቢሩ፡ ጡፍ ኢሉ ልሳኑ ተንከዮ። 34ናብ ሰማይ ቁሊሕ ኢሉ ኣተንፊሱ ኸኣ፡ ኤፋታ፡ በሎ። እዚ፡ ተኸፈት፡ ማለት እዩ። 35ሽዑ ኣእዛኑ ተኸፍታ፡ ማእሰርቲ ልሳኑ ድማ ተፈትሐ፡ ኣቕኒዑውን ተዛረበ። 36ንሓደ እኳ ኸይነግሩ፡ ኣምሪሩ ኣዘዞም። ንሳቶም ግና ብመጠን እቲ ዝኸልከሎም ኣዝዮም ኣውረዩ። 37ንሳቶም ከኣ፡ ንሱ ንኹሉ ጽቡቕ ገበሮ፡ ጸማማት ከም ዝሰምዑ፡ ዓባሳት ከም ዝዛረቡ ገበረ፡ እናበሉ ብዘይ ልክዕ ተገረሙ።
ወን.ማርቆስ ምዕራፍ 8
1በቲ ቕነ እቲ ኸም ብሓድሽ ብዙሕ ህዝቢ ምስ ተኣከበ፡ ዝብላዕ ኣይነበሮምን እሞ፡ ነቶም ደቀ መዛሙርቱ ጸዊዑ፡ 2እዞም ህዝቢ እዚኦም ሰለስተ መዓልቲ ምሳይ ገይሮም እዮም፡ ዝብላዕ ከኣ የብሎምን እሞ፡ የደንግጹኒ ኣለዉ። 3ሓያሎ ኻባታቶም ካብ ርሑቕ ዝመጹ እዮም፡ ጾሞም ነናብ ቤቶም እንተ ኣሳናበትክዎም፡ ኣብ መገዲ ኽሕለሉ እዮም፡ በሎም። 4ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ፡ ኣብዚ በረኻዚ ደኣ ነዞም ሰብ እዚኦም ዘጽግብ እንጌራ ኻበይ ይርከብ፧ ኢሎም መለስሉ። 5ንሱ ኸኣ፡ ክንደይ እንጌራኸ ኣሎኩም፧ ኢሉ ሓተቶም። ንሳቶም፡ ሾብዓተ፡ በልዎ። 6ነቶም ህዝቢ ኸኣ ኣብ ምድሪ ክቕመጡ ኣዘዞም። እተን ሾብዓተ እንጌራ ወሲዱ ኣመስጊኑ ቘረሰ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ኸኣ ክቕርብሎም ሃቦም። ነቶም ህዝቢ ድማ ቐረብሎም። 7ሒደት ዓሳ ኸኣ ነበሮም፡ ንእኡ ድማ ባሪኹ ሃቦም፡ ክቕርብሎምውን ኣዘዘ። 8በሊዖም ጸገቡ፡ ዝተረፈ ቘረርስ ከኣ ሾብዓተ መሶብ ኣልዓሉ። 9እቶም ዝበልዑ ኣስታት ኣርባዕተ ሽሕ እዮም። ሽዑ ኸኣ ኣሳናበቶም። 10ድሕርዚ ብኡብኡ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ናብ ጃልባ ኣትዩ ናብ ሃገር ደልማኑታ መጸ። 11ፈሪሳውያን ከኣ ወጹ፡ እናፈተንዎ ኻብ ሰማይ ትእምርቲ ኻብኡ ደልዮም ክካራኸርዎ ጀመሩ። 12ንሱ ድማ ብመንፈሱ ኣሕዘንዚኑ፡ እዚ ወለዶ እዚ ንምንታይ ትእምርቲ ይደሊ ኣሎ፧ ነዚ ወለዶ እዚ ትእምርቲ ኸም ዘይውሃቦ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ በለ። 13ሓዲግዎም ከም ብሓድሽ ናብ ጃልባ ኣተወ ናብ ማዕዶውን ተሳገረ። 14ምምላእ እንጌራ ኸኣ ረስዑ። ምሳታቶም ኣብ ጃልባ ብጀካ ሓንቲ እንጌራ ኣይነበሮምን። 15ንሱ ድማ፡ ካብ ማይ ብሑቕ ፈሪሳውያንን ካብ ማይ ብሑቕ ሄሮድስን ተጠንቀቑን ተኣርነቡን፡ ኢሉ ኣዘዞም። 16ንሓድሕዶም ድማ፡ እንጌራ ስለ ዘይብልና እዩ፡ ኢሎም ሓሰቡ። 17የሱስ ድማ ፈሊጡ በሎም፡ ንምንታይ እንጌራ ስለ ዘይምህላውኩም ትሓስቡ፧ ገናዶ ኣይትፈልጡን ወይስ ኣይተስተውዕሉን ኢኹም፧ ልብኹምዶ ድፉን እዩ፧ 18ኣዒንቲ ኸለዋኹምሲ ኣይትርእዩንዶ፧ ኣእዛን ከለዋኹምከ ኣይትሰምዑንዶ፧ ኣይትዝክሩንዶኸ ኢኹም፧ 19እቲ ሓሙሽተ እንጌራን ንሓሙሽተ ሽሕ ምስ ቈረስኩኸ፡ ቈረርስ ዝመልአ ክንደይ መሶብ ኣልዓልኩም፧ ንሳቶም ከኣ፡ ዓሰረተው ክልተ፡ በልዎ። 20እቲ ሾብዓተ እንጌራ ነርባዕተ ሽሕ ምስ ቈረስኩኸ፡ ቈረርስ ዝመልአ ኽንደይ መሶብ ኣልዓልኩም፧ ንሳቶም ከኣ፡ ሾብዓተ፡ በልዎ። 21ንሱ ድማ፡ ገናዶ ኣይተስተውዕሉን ኢኹም፧ በሎም። 22ናብ ቤተሳይዳ ኸኣ መጸ። ዕዉር ናብኡ ኣምጺኦም፡ ክትንክዮ ለመንዎ። 23ነቲ ዕዉር ድማ ብኢዱ ሒዙ ናብ ወጻኢ እታ ዓዲ ወሰዶ። ኣብ ኣዒንቱ ጡፍ ኢሉ ኸኣ ኢዱ ኣንበረሉ እሞ፡ ገለዶ ትርኢ ኣሎኻ፧ ኢሉ ሓተቶ። 24ቋሕ ኢሉ ድማ፡ ሰባት እርኢ ኣሎኹ፡ ክመላለሱ ኸለዉ ኣእዋም መሲሎም እርእዮም ኣሎኹ፡ በለ። 25ከም ብሓድሽ ድማ ኢዱ ኣብ ኣዒንቱ ኣንበረሉ እሞ ኣጸቢቑ ጠመተ፡ ሓወየ ንኹሉውን ተቐሊዑ ረኣየ። 26የሱስ ከኣ፡ ናብ ዓዲ ኣይትእቶ፡ ኢሉ ናብ ቤቱ ሰደዶ። 27የሱስን ደቀ መዛሙርቱን ናብ ዓድታት ቂሳርያ ናይ ፊልጶስ ከዱ። ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ ኣብ መገዲ፡ ሰብ መን እዩ ይብሉኒ ኣለዉ፧ ኢሉ ሓተቶም። 28ንሳቶም ድማ፡ ገሊኦም ዮሃንስ መጥምቕ፡ ካልኦት ድማ ኤልያስ፡ ካልኦትውን ሓደ ኻብ ነብያት እዩ፡ ዝብሉ ኣለዉ፡ በልዎ። 29ንሱ ድማ፡ ንስኻትኩምከ መን እዩ ትብሉኒ ኣሎኹም፧ በሎም። ጴጥሮስ መሊሱ፡ ንስኻ ክርስቶስ ኢኻ፡ በሎ። 30ሽዑ ብዛዕባኡ ንሓደ እኳ ኸይዛረቡ፡ ኣሕሚሙ ኣዘዞም። 31ንወዲ ሰብ ብዙሕ ሓሳረ መከራ ኽጸግብ፡ ብዓበይቲ ህዝብን ብሊቃውንቲ ኻህናትን ክነዐቕን ክቕተልን ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲውን ክትንስእ ከም ዝግባእ፡ ክምህሮም ጀመረ። 32ነዚ ነገርዚ ድማ ኣግሂዱ ተዛረቦ። ጴጥሮስ ከኣ ፍልይ ኣቢሉ ኽገንሖ ጀመረ። 33ናብ ደቀ መዛሙርቱ ግልጽ ኢሉ ርእዩ፡ ንጴጥሮስ፡ ኣታ ሰይጣን፡ ናይ ሰብ እምበር፡ ናይ ኣምላኽ ኣይትሓስብን ኢኻ እሞ፡ ካባይ ርሓቕ፡ ኢሉ ገንሖ። 34ነቶም ህዝቢ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ጸዊዑ ድማ በሎም፡ ዝዀነ ይኹን ደድሕረይ ክስዕበኒ ዝደሊ እንተሎ፡ ገዛእ ርእሱ ይቕበጽ፡ መስቀሉ የልዕል እሞ ይስዓበኒ። 35ንህይወቱ ኸድሕና ዝደሊ ኸጥፍኣ እዩ። እቲ ንህይወቱ ምእንታይን ምእንቲ ወንጌልን ዘጥፍኣ ግና ከድሕና እዩ። 36ንሰብ፡ ብዘላ ዓለም ረቢሑ፡ ነፍሱ እንተ ኣጥፍአ፡ እንታይ ይጠቕሞ፧ 37ሰብከ በጃ ነፍሱ እንታይ ምሃበ፧ 38ስለዚ ኣብዚ ዘማውን ሓጥእን ወለዶ ብኣይን ብቓለይን ዝሓፈረ፡ ወዲ ሰብ ድማ፡ ብግርማ ኣቦኡ ምስ ቅዱሳን መላእኽቱ ምስ መጸ፡ ብእኡ ኽሓፍር እዩ።
ወን.ማርቆስ ምዕራፍ 9
1ንሱ ድማ፡ ካብዞም ኣብዚ ደው ኢሎም ዘለዉ ንመንግስቲ ኣምላኽ ብሓይሊ ኽትመጽእ ከላ ኽሳዕ ዝርእይዋ ሞት ዘይጥዕሙ ሓያሎ ኸም ዘለዉ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ በሎም። 2ድሕሪ ሹድሽተ መዓልቲ ኸኣ የሱስ ንጴጥሮስን ያእቆብን ዮሃንስን ወሲዱ፡ ንበይኖም ናብ ነዊሕ ከረን ኣደየቦም፡ ኣብ ቅድሚኦምውን ተለወጠ። 3ክዳኑ ድማ በርሀ፡ ኣብ ምድሪ ሓጻቢ ኸምኡ ገይሩ ኸጻዕዱ ዘይኽእል፡ ኣዝዩ ጻዕደወ። 4ኤልያስን ሙሴን ድማ ተራእይዎም፡ ንሳቶም ምስ የሱስ ይዛራረቡ ነበሩ። 5ጴጥሮስ ከኣ ንየሱስ መሊሱ፡ መምህር፡ ኣብዚ ምንባር ንኣና ጽቡቕ እዩ። ሰለስተ ዳስ ክንሰርሕ፡ ሓደ ንኣኻ፡ ሓደ ንሙሴ ሓደ ኸኣ ንኤልያስ፡ በሎ። 6ሰምቢዶም ነበሩ እሞ፡ ነቲ ዝብሎ ኣይፈልጦን ነበረ። 7ደበና መጺኡ ኣጐልበቦም። ካብቲ ደበና ኸኣ፡ እዚ ዘፍቅሮ ወደይ እዩ፡ ንእኡ ስምዕዎ፡ ዝብል ድምጺ መጸ። 8ብኡብኡ ግልጽ ግልጽ ኢሎም እንተ ጠመቱ ኸኣ፡ ብዘይ የሱስ በይኑ፡ ምሳታቶም ሓደ እኳ ኣይረኣዩን። 9ካብ ከረን ክወርዱ ኸለዉ ድማ፡ ወዲ ሰብ ካብ ምዉታት ምስ ተንስአ እንተ ዘይኰይኑ፡ እቲ ዝረኣይዎ ንሓደ እኳ ኸይነግሩ ኣዘዞም። 10ነቲ ቓሉ ኸኣ ሓዝዎ፡ ንሓድሕዶምውን፡ ካብ ምዉታት ምትንሳእሲ እንታይ ኰን እዩ፧ ኢሎም ተማራመሩ። 11ንሳቶም ድማ፡ ከመይ ደኣ ጸሓፍቲ፡ ኤልያስ ቅድም ክመጽእ ይግባእ፡ ዝብሉ፡ ኢሎም ሓተትዎ። 12ንሱ ኸኣ፡ ቅድም ኤልያስ ይመጽእ፡ ንኹሉ ኸኣ የቕንዕ። ብዛዕባ ወዲ ሰብከ ኸመይ ተጽሒፉ ኣሎ፧ ብዙሕ ሓሳረ መከራ ኽጸግብን ክነዓቕን እዩ። 13ኣነ ግና፡ ኤልያስ መጸ፡ ከምቲ እተጻሕፈሉ ድማ፡ ዝደለዩ ዘበለ ገበርዎ፡ እብለኩም ኣሎኹ፡ ኢሉ መለሰሎም። 14ናብቶም ደቀ መዛሙርቲ ምስ መጸ፡ ብዙሕ ህዝቢ ኸቢብዎም፡ ጸሓፍቲውን ክካራኸርዎም ከለዉ ረኣየ። 15ሽዑ እቶም ህዝቢ ምስ ረኣይዎ፡ ሰምበዱ፡ ናብኡ ጐይዮም ከኣ ሰላም በልዎ። 16ንጸሓፍቲ ድማ፡ ብዛዕባ እንታይ ትካራኸርዎም ኣሎኹም፧ ኢሉ ሓተቶም። 17ሓደ ኻብቶም ህዝቢ ኸኣ፡ መምህር፡ ንወደይ ዘይዛረብ መንፈስ ሒዝዎስ ናባኻ ኣምጺአዮ ኣሎኹ፡ 18ኣብ ዝሓዞ ድማ የምበድብዶ፡ ንሱ ኸኣ ይዓፍር፡ ኣስናኑ ይሕርቅም ይነቅጽውን። ንደቀ መዛሙርትኻ ድማ ከውጽእዎ ነጊረዮምሲ፡ ንሳቶም ግና ኣይከኣሉን፡ ኢሉ መለሰሉ። 19ንሱውን፡ ኣታ ዘይእሙን ወለዶ፡ ክሳዕ መኣዝ ምሳኻትኩም ክነብር እየ፧ ክሳዕ መኣዝሲ ኽዕገሰኩም እየ፧ ናባይ ኣምጽእዎ፡ ኢሉ መለሰ። 20ናብኡ ድማ ኣምጽእዎ። ምስ ረኣዮ፡ ሽዑ እቲ መንፈስ ፈንጠርጠር ኣበሎ፡ ናብ ምድሪ ወዲቑ ኣንገርገረ ዓፈረ ኸኣ። 21የሱስ ድማ ነቦኡ፡ እዚ ኻብ ዝሕዞ ኽንደይ ዘመኑ እዩ፧ ኢሉ ሓተቶ። ንሱ ኸኣ፡ ካብ ንእስነቱ፡ 22ከጥፍኦ ብዙሕ ሳዕ ኣብ ሓውን ኣብ ማይን ደርብይዎ። ገለ ትክእል እንተ ዄንካ ግና፡ ደንግጸልናን ርድኣናን፡ በሎ። 23የሱስ ከኣ፡ እትኽእል እንተ ዄንካ፡ ትብል ኣሎኻ። ንዝኣምን ኩሉ ይክኣል እዩ፡ በሎ። 24ብኡብኡ ኣቦ እቲ ቘልዓ ዓው ኢሉ፡ እኣምን፡ ንዘይምእማነይ ደግፍ፡ በሎ። 25የሱስ እቶም ሰብ ናብኡ ኽጐዩ ምስ ረኣየ፡ ነቲ ርኹስ መንፈስ፡ ኣታ ዘይዛረብ ጸማም መንፈስ፡ እእዝዘካ ኣሎኹ፡ ካብኡ ውጻእ ተመሊስካውን ኣይትእተዎ፡ ኢሉ ገንሖ። 26ገዓረ ብዙሕ ፈንጠርጠር ኣቢልዎ ኸኣ ወጸ፡ ብዙሓት ሞይቱ ኽሳዕ ዝብሉ ድማ፡ ከም ሬሳ ዀነ። 27የሱስ ግና ብኢዱ ሒዙ ኣተንስኦ እሞ ተንስአ። 28ናብ ቤት ምስ ኣተወ፡ ደቀ መዛሙርቱ ብሕት ኢሎም፡ ከመይ ደኣ ንሕና ምውጻኡ ዝሰኣንና፧ ኢሎም ሓተትዎ። 29ንሱውን፡ እዚ ኸምዚ ዝበለ ዓሌት ብዘይ ብጸሎትን ብጾምን ክወጽእ ኣይከኣልን እዩ፡ በሎም። 30ካብኡ ወጺኦም ብገሊላ ሓለፉ። ሓደ እኳ እዚ ኽፈልጥ ኣይፈተወን። 31ንደቀ መዛሙርቱ ኸኣ ይምህሮም ነበረ እሞ፡ ወዲ ሰብ ኣብ ኢድ ሰብ ይወሃብ ኣሎ፡ ክቐትልዎ ድማ እዮም፡ ምስ ተቐትለ ኸኣ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ኽትንስእ እዩ፡ በሎም። 32ንሳቶም ግና ነዚ ነገርዚ ኣየስተውዓልዎን፡ ከይሓትዎ ኸኣ ፈርሁ። 33ኣብ ቅፍርናሆም በጽሐ። ናብ ቤት ምስ ኣተወ ኸኣ፡ ኣብ መገዲ እትዛራረብሉ ዝነበርኩም እንታይ እዩ፧ ኢሉ ሓተቶም። 34ንሳቶም ከኣ ኣብ መገዲ ንሓድሕዶም፡ መን ኰን ይበልጽ፧ ይባሃሃሉ ነበሩ እሞ፡ ኣጽቀጡ። 35ምስ ተቐመጠ ድማ ነቶም ዓሰርተው ክልተ ጸዊዑ፡ እቲ ቕድሚት ክኸውን ዝደሊ ድሕሪ ኹሉን ግዙእ ኹሉን ይኹን፡ በሎም። 36ቈልዓ ወሲዱ ድማ ኣብ ማእከሎም ደው ኣበሎ፡ ሓቑፍዎ ኸኣ፡ 37ካብዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ ናእሽቱ ንሓደ ብስመይ ዝቕበል ዘበለ ንኣይ እዩ ዝቕበል። እቲ ንኣይ ዝቕበል ከኣ ነቲ ዝለኣኸኒ እዩ እምበር፡ ንኣይ ኣይኰነን ዝቕበል፡ በሎም። 38ዮሃንስ ከኣ፡ መምህር፡ ሓደ ዘይስዕበና፡ ብስምካ ኣጋንንቲ ኸውጽእ ርኢናዮስ፡ ንሱ ስለ ዘይሰዓበና ኸሊእናዮ፡ በሎ። 39የሱስ ከኣ በለ፡ ኣይትኽልእዎ። ብስመይ ሓይሊ ዝገብር እሞ ብኡብኡ ሕሱም ክዛረበለይ ዝኽእል ሓደ እኳ የልቦን። 40ዘይበኣሰና ዘበለ ኹሉ ምሳና እዩ። 41ናይ ክርስቶስ ስለ ዝዀንኩም፡ ጣሳ ማይ ዝሑል ብስመይ ዘስትየኩም ዘበለ፡ ዓስቡ ኸም ዘይስእን፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 42ነቲ ኻብዞም ብኣይ ዝኣምኑ ናእሽቱ ንሓደ ዘስሕት፡ መጥሓን ኣድጊ ኣብ ክሳዱ ተኣሲሩ ኣብ ባሕሪ ኽጥሕል ምሓሾ ነይሩ። 43-44ኢድካ እንተ ኣስሓተትካ፡ ቍረጻ። ክልተ ኢድ ኣልዩካ፡ ናብቲ ዘይጠፍእ ሓዊ፡ ሓሰኻኦም ኣብ ዘይመውት፡ ሓዉውን ኣብ ዘይጠፍእ ገሃነም ካብ እትድርበስ፡ ቍሩጽ ኰንካ ናብ ህይወት ምእታው ይሕሸካ። 45-46እግርኻ እንተ ኣስሓተትካውን፡ ቁረጻ። ክልተ እግሪ ኣልዩካ፡ ናብ ዘይጠፍእ ሓዊ፡ ሓሳኻኦም ኣብ ዘይመውት፡ ሓዉውን ኣብ ዘይጠፍእ ካብ እትድርበስ፡ ሓንካስ ኴንካ ናብ ህይወት ምእታው ይሕሸካ። 47-48ዓይንኻ እንተ ኣስሓተትካውን፡ ኣንቍራ። ክልተ ዓይኒ ኣልዩካ፡ ናብቲ ሓሰኻኦም ኣብ ዘይመውት፡ ሓዉውን ዘይጠፍእ ናብ ሓዊ ገሃነም ካብ እትድርበስ፡ ነቋር ኰንካ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ምእታው ይሕሸካ። 49ነፍሲ ወከፍ ብሓዊ ይምቅር እዩ እሞ፡ ኵሉ መስዋእቲ ድማ ብጨው እዩ ዝምቕር። 50ጨው ጽቡቕ እዩ። እቲ ጨው መቐረቱ እንተ ኸደኸ፡ ብምንታይ ተምቕርዎ፧ ኣብ ነፍስኹም ጨው ይሃሉኹም፡ ንሓድሕድኩምውን ብሰላም ንበሩ።
ወን.ማርቆስ ምዕራፍ 10
1ካብኡ ተልዒሉ ናብ ወሰን ምድሪ ይሁዳን ናብ ማዕዶ ዮርዳኖስን መጸ። ከም ብሓድሽ ከኣ ብዙሕ ህዝቢ ናብኡ ተኣከበ፡ ከምቲ ልማዱውን መሊሱ መሃሮም። 2ፈሪሳውያን ድማ ምእንቲ ኽፍትንዎ መጺኦም፡ ሰብኣይ ንሰበይቱ ኽፈትሓዶ ተፈቒድሉ እዩ፧ ኢሎም ሓተትዎ። 3ንሱ ግና፡ ሙሴኸ እንታይ ኣዘዘኩም፧ ኢሉ መለሰሎም። 4ንሳቶም ከኣ፡ ሙሴስ ጽሕፈት መፍትሒኣ ጺሒፍና ኽንፈትሓ ፈቒዱልና እዩ፡ በልዎ። 5የሱስ ከኣ በሎም፡ ብሰሪ ትሪ ልብኹም እዩ እዚ ትእዛዝ እዚ ዝጸሓፈልኩም። 6ካብ መጀመርያ ፍጥረት ግና ኣምላኽ፡ ሰብኣይን ሰበይትን ገይሩ እዩ ዝፈጠሮም። 7ስለዚ ሰብኣይ ኣቦኡን ኣዲኡን ሓዲጉ፡ ምስ ሰበይቱ ይጣበቕ፡ 8ክልቲኦም ሓደ ስጋ ይዀኑ፡፡ ስለዚ ድማ ሓደ ስጋ እዮም እምበር፡ ክልተ ኣይኰኑን። 9እምበኣርከ ነቲ ኣምላኽ ዘጋጠሞስ፡ ሰብ ኣይፍለዮ። 10ኣብ ቤት ከኣ ደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ እዚ ነገርዚ ኸም ብሓድሽ ሓተትዎ። 11ንሱ ድማ፡ ዝዀነ ይኹን ሰበይቱ ፈቲሑ ኻልእ ዘእቱ ኣብኣ ዘመወ። 12እታ ሰብኣያ ፈቲሓ ንኻልእ እተኣትወት ድማ ዘመወት፡ በሎም። 13ንቘልዑ ድማ ክትንክዮም ናብኡ ኣምጽእዎም። እቶም ደቀ መዛሙርቲ ግና ነቶም ዘምጽእዎም ገንሕዎም። 14የሱስ እዚ ምስ ረኣየ፡ ኣይፈተወሎምን እሞ፡ ሕደግዎም፡ ቈልዑ ናባይ ይምጽኡ። መንግስቲ ኣምላኽ ነዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ እያ እሞ፡ ኣይትኽልእዎም። 15ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ቈልዓ ዀይኑ ዘይተቐበላ ከቶ ኸም ዘይኣትዋ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ በሎም። 16ሓቝፉ ኢዱ ኣንቢሩሎም ባረኾም። 17ኣብ መገዲ ክኸይድ ከሎ ድማ፡ ሓደ ናብኡ ጐየየ፡ ተምበርኪኹውን፡ ኣታ ሄር መምህር፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽወርስ፡ እንታይ እግበር፧ ኢሉ ሓተቶ። 18የሱስ ከኣ፡ ንምንታይ ሄር ትብለኒ፧ ብዘይ ሓደ ኣምላኽ ሄር የልቦን። 19ነቲ ትእዛዛት ትፈልጦ ኣሎኻ፡ እኒ ኣይትቕተል፡ ኣይትዘሙ፡ ኣይትስረቕ፡ ብሓሶት ኣይትመስክር፡ ኣይትዓምጽ፡ ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር፡ በሎ። 20ንሱ ኸኣ፡ መምህር፡ እዚ ኹሉስ ካብ ንእስነተይ ጀሚረ እሕልዎ ኣሎኹ፡ በሎ። 21የሱስ ከኣ ጠሚቱ ፈተዎ እሞ፡ ሓንቲ ጐዲላትካ። ኪድ፡ ዘለካ ኹሉ ሼጥካ ንድኻታት ሃብ፡ ኣብ ሰማይ ድማ መዝገብ ክትረክብ ኢኻ እሞ ንዓ ስዓበኒ፡ በሎ። 22ንሱ ግና በዚ ቓልዚ ተኸፍአ፡ ብዙሕ ጥሪት ነበሮ እሞ፡ እናጐሃየ ኸደ። 23የሱስ ድማ ኣብ ዙርያኡ እናጠመተ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ገንዘብ ንዘለዎም ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ንምእታው ክንደይ ጭንቂ እዩ፡ በሎም። 24እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ ብዘረባኡ ተገረሙ። የሱስ ድማ ንደቀ መዛሙርቱ ኸም ብሓድሽ መሊሱ በሎም፡ ደቀይ ብጥሪት ንዝእመኑ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ምእታው ክንደይ ጭንቂ እዩ። 25ሃብታም ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ዝኣቱስ ገመል ብዓይኒ መርፍእ ክትሓልፍ ይቐልል። 26ብዙሕ ተገሪሞም፡ ንሓድሕዶም፡ መን ደኣ ዀን ክድሕን ይከኣሎ፧ ተባሃሃሉ። 27የሱስ ጠሚትዎም፡ ንኣምላኽ ኩሉ ይከኣሎ እዩ እሞ፡ ንኣምላኽ ደኣ እምበር፡ ንሰብሲ ኣይከኣሎን እዩ፡ በለ። 28ጴጥሮስ ፥ እንሆ፡ ንሕና ዅሉ ሓዲግና ሰዓብናካ፡ ክብሎ ጀመረ። 29የሱስ መለሰ በለውን ፥ ምእንታይን ምእንቲ ወንጌልን ኢሉ፡ ቤት፡ ወይ ኣሕዋት፡ ወይ ኣሓት፡ ወይ ኣቦ፡ ወይ ኣደ፡ወይ ሰበይቲ፡ ወይ ውሉድ፡ ወይ ግርሁ ዝሓደገ ዘበለ፡ 30ሕጂ ኣብዛ ዘመን እዚኣ ቤት፡ ኣሕዋት፡ ኣሓት፡ ኣደ፡ ውሉድ፡ ግርሁ፡ ሚእቲ ካዕበት ምስ ስደት፡ ኣብታ እትመጽእ ዓለም ከኣ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዘይረክብ የልቦን፡ ኢለ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ 31ብዙሓት ቀዳሞት ዳሕሮት፡ ዳሕሮት ከኣ ቀዳሞት ክዀኑ እዮም። 32ናብ የሩሳሌም ክድይቡ ኣብ መገዲ ኸለዉ፡ የሱስ ቀቅድሚኦም ይኸይድ ነበረ። ንሳቶም ከኣ ተገረሙ፡ እቶም ዝስዕቡ ዘለዉውን ፈርሁ። ከም ብሓድሽ ድማ ነቶም ዓሰርተው ክልተ ወሲዱ፡ እቲ ዝመጾ ዘሎ ኽነግሮም ጀመረ ፥ 33እንሆ፡ ናብ የሩሳሌም ንድይብ ኣሎና፡ ንወዲ ሰብ ኣብ ሊቃውንቲ ኻህናትን ኣብ ጸሓፍትን ከትሕዝዎ እዮም። ንሳቶም ድማ ፍርዲ ሞት ክፈርዱሉ፡ ነህዛብውን ኣሕሊፎም ክህብዎ እዮም። 34ከላግጹሉ፡ ጡፍ ክብሉሉ፡ ክገርፍዎ፡ ክቐትልዎ፡ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲውን ክትንስእ እዩ፡ በሎም። 35ያእቆብን ዮሃንስን ደቂ ዘብዴዎስ ናብኡ ቐሪቦም፡ መምህር፡ ዝለመንናካ ኽትገብረልና ንደሊ ኣሎና፡ በልዎ። 36ንሱ ኸኣ ፥ እንታይ ክገብረልኩም ትደልዩ ኣሎኹም፧ በሎም። 37ንሳቶም ድማ፡ ኣብቲ፡ ኽብርኻ ሓዴና ኣብ የማን ሓዴና ድማ ኣብ ጸጋምካ ኽንቅመጥ ሃበና፡ በልዎ። 38የሱስ ግና ፥ እትልምንዎ ኣይትፈልጡን ኢኹም። እታ ኣነ ዝሰትያ ጽዋእ ክትሰትዩ፡ እታ ኣነ ዝጥመቓ ጥምቀትውን ክትጥመቑኸ ይከኣለኩም ድዩ፧ በሎም። 39ንሳቶም ከኣ ፥ ይከኣለና እዩ፡ በልዎ። የሱስ ከኣ ፥ ነታ ኣነ ዝሰትያ ጽዋእሲ ኽትሰትይዋ፡ ነታ ኣነ ዝጥመቓ ጥምቀትውን ክትጥመቕዋ ኢኹም። 40ኣብ የማነይ ኣብ ጸጋመይ ምቕማጥ ግና ነቶም እተዳለወሎም እዩ እምበር፡ ኣነ ኣይኰንኩን ዝህቦ፡ በሎም። 41እቶም ዓሰርተ ሰሚዖም፡ ብያእቆብን ዮሃንስን ክናደዱ ጀመሩ። 42የሱስ ድማ ናብኡ ጸዊዑ ፥ ነህዛብ እቶም ከም ሸየምቶም ዝቝጸሩ ኸም ዝገዝእዎም፡ እቶም ዓበይቶምውን ከም ዝመልክዎም ትፈልጡ ኣሎኹም። 43ኣባኻትኩም ግና ከምዚ ኣይኰነን። እቲ ዓብዩ ክኸውን ዝደሊ ግዙእኩም ደኣ ይኹን። 44ካባኻትኩም ምርኡይ ክኸውን ዝደሊ ኸኣ፡ ንሱ ባርያ ዅሉ ይኹን። 45ወዲ ሰብ ድማ ከገልግል ህይወቱውን በጃ ብዙሓት ክህብ እምበር፡ ከገልግልዎ ኢሉ ኣይመጸን፡ በሎም። 46ኣብ ያሪኮ ድማ ኣተወ። ካብ ያሪኮ ምስ ደቀ መዛሙርቱን ምስ ብዙሕ ህዝብን ክወጽእ ከሎ ኸኣ፡ በርጢሜዎስ፡ እቲ ዕዉር ወዲ ጢሜዎስ፡ ኣብ ጥቓ መገዲ ተቐሚጡ ይልምን ነበረ። 47የሱስ፡ እቲ ናዝራዊ ምዃኑ ምስ ሰምዐ ድማ፡ ዓው ኡሉ፡ የሱስ ወዲ ዳዊት ምሓረኒ፡ ክብል ጀመረ። 48ብዙሓት ድማ ስቕ ክብል ገንሕዎ፡ ንሱ ግና ፥ ኣታ ወዲ ዳዊት፡ ምሓረኒ፡ እናበለ ኣዝዩ ጨደረ። 49የሱስ ድማ ደው ኢሉ ፥ ጸውዕዎ፡ በለ። ነቲ ዕዉር ከኣ ጸዊዖም ፥ ኣጆኻ፡ ተንስእ፡ ይጽውዓካ ኣሎ፡ በልዎ። 50ተንሲኡ፡ ባርኖሱ ኣውጺኡ፡ ናብ የሱስ መጸ። 51የሱስ ድማ ፥ እንታይ ክገብረልካ ትደሊ ኣሎኻ፧ ኢሉ መለሰሉ። እቲ ዕዉር ከኣ ፥ ረቡኒ፡ ክርኢ፡ በሎ። 52የሱስ ከኣ ፥ ኪድ፡ እምነትካ ኣሕወየትካ፡ በሎ። ብኡብኡ ረኣየ፡ ኣብ መገዲውን ሰዓቦ።
ወን.ማርቆስ ምዕራፍ 11
1ናብ የሩሳሌም፡ ናብ ቤትፋጌ፡ ናብ ቢታንያ ኣብ ጥቓ ደብረ ዘይቲ ምስ ቀረበ ድማ፡ ካብ ደቀ መዛሙርቱ ኽልተ ለኣኸ። 2በሎምውን ፥ ኣብ መንጽርኩም ናብ ዘላ ዓዲ ኺዱ። ናብኣ ኽትኣትዉ ኸሎኹም፡ ብኡብኡ ሰብ ዘይተወጥሖ እሱር ጻዕብ ክትረኽቡ ኢኹም። ፈቲሕኩም ከኣ ኣምጽኡለይ። 3ገለ ሰብ ፥ ከመይከ እዚ ትገብሩ ኣሎኹም፧ እንተ በለኩም ፥ ጐይታ ይደልዮ ኣሎ፡ ኢልኩም ንገርዎ። ንሱ ኸኣ ብኡብኡ ነጀው ክሰዶ እዩ። 4ከዱ፡ ነቲ ጻዕብ ድማ ኣብ ደገ ኣብ ጥቓ መገዲ ተኣሲሩ ረኸብዎ ፈትሕዎውን። 5ካብቶም ኣብኡ ደው ኢሎም ዘለዉ ሓያሎ ኸኣ ፥ ኣቱም ጻዕብ እትፈትሑ፡ እንታይ ትገብሩ ኣሎኹም፧ በልዎም። 6ከምታ የሱስ ዝበሎም በልዎም፡ ንሳቶም ከኣ ሓደግዎም። 7ነቲ ጻዕብ ከኣ ናብ የሱስ ወሰድዎ፡ ክዳውንቶምውን ጠየቕዎ፡ ንሱ ኸኣ ኣብኡ ተወጥሐ። 8ብዙሓት ድማ ኣብቲ መገዲ ኽዳውንቶም ኣንጸፉ፡ ካልኦት ከኣ ካብ ኣእዋም ጨጨንፈሩ ሰሊዖም ነስነሱ። 9ቀቅድሚኡ ዝኸዱን ደድሕሪኡ ዝስዕቡን ከኣ ዓው ኢሎም ፥ ሆሳእና፡ ብስም እግዚኣብሄር ዝመጽእ ብሩኽ እዩ። 10እታ እትመጽእ ዘላ መንግስቲ ኣቦና ዳዊት ብርኽቲ እያ፡ ሆሳእና ኣብ ኣርያም፡ በሉ። 11የሱስ ኣብ የሩሳሌም ናብ ቤተ መቕደስ ኣተወ። ንኹሉ ግልጽ ኢሉ ምስ ጠመቶ፡ መስዩ ነበረ እሞ፡ ምስቶም ዓሰርተው ክልተ ናብ ቢታንያ ወጸ።
12ንጽብሒቱ ድማ ካብ ቢታንያ ኽወጹ ጠመየ። 13ብርሑቕ ከኣ ቈጻል በለስ ረኣየ፡ ምናልባሽ ገለ እንተ ረኸበላ ኽርኢ ኸኣ ናብኣ ኸደ። ናብኣ መጺኡ ኸኣ፡ ግዜ በለስ ኣይነበረን እሞ፡ ቈጽሊ እምበር፡ ገለ እኳ ኣይረኸበላን። 14መሊሱ ድማ ፥ ካባኺ ሓደ እኳ ንዘለኣለም ፍረ ኣይብላዕ፡ በላ። ደቀ መዛሙርቱውን ሰምዕዎ።
15ናብ የሩሳሌም ከኣ መጹ። ናብ ቤተ መቕደስ ኣትዩ ኸኣ፡ ነቶም ኣብታ ቤተ መቕደስ ኰይኖም ዝሸጡን ዝሻየጡን ከውጽኦም ጀመረ። ሰደቓ ሸረፍትን መንበር ሸየጥቲ ርግብን ደንከለ። 16ሓደ እኳ ኣቕሓ ጾይሩ በታ ቤተ መቕደስ ክሓልፍ ኣይፈቐደን እሞ ፥ 17ቤተይ ንኹሎም ኣህዛብ ቤት ጸሎት ትብሃል፡ ጽሑፍ ደይኰነን ንስኻትኩም ግና በዓቲ ጐሓሉት ገበርኩምዋ፡ ኢሉውን መሃሮም። 18ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን ድማ ሰምዑ፡ ብዘሎ እቲ ህዝቢ ብምህሮኡ ስለ እተገረመ ኸኣ፡ ይፈርህዎ ነበሩ እሞ፡ ከመይ ገይሮም ከም ዘጥፍእዎ ይደልዩ ነበሩ።
19ምስ መሰየ ድማ፡ ናብ ወጻኢ እታ ኸተማ ወጸ።
20ንግሆ ኽሓልፉ ኸለዉ፡ ነታ በለስ ካብ ሱራ ነቒጻ ረኣይዋ። 21ጴጥሮስ ድማ ዘኪሩ ፥ መምህር፡ እንሃ፡ እታ ዝረገምካያ በለስ ነቒጻ፡ በሎ። 22የሱስ ድማ መለሰ በሎምውን፡ ብኣምላኽ እመኑ። 23ዝዀነ ይኩን እቲ ዝበሎ ኸም ዝኸውን ዝኣምን እምበር፡ ብልቡ ዘይዋላወል፡ ነዚ ኸረን፡ ተንሲእካ ናብ ባሕሪ ጥሓል፡ እንተ በሎ፡ ንእኡ ኸም ዝዀነሉ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 24ስለ ፥ እትጽልይዎን እትልምንዎን ዘበለ ኸም ዝረኸብኩም እመኑ እሞ ክኾነልኩም እዩ፡ እብለኩም ኣሎኹ። 25ደው ኢልኩም ክትጽልዩ ኸሎኹም ድማ፡ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦኹም በደልኩም ምእንቲ ኽሓድገልኩም፡ ኣብ ብጻይኩም ገለ እንተ ኣሎኩም፡ ሕደጉሉ። 26ንስኻትኩም እንተ ዘይሓደግኩም ግና፡ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦኹም ድማ በደልኩም ኣይሓድገልኩምን እዩ።
27ተመሊሶም ከኣ ናብ የሩሳሌም መጹ። ኣብ ቤት መቕደስ ክመላለስ ከሎ፡ ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን ዓበይትን ናብኡ መጹ እሞ፡ 28በየናይ ስልጣን እዚ ትገብር ኣሎኻ፡ ወይስ እዚ ንምግባር ዘሰልጠነካ መን እዩ፧ በልዎ። 29የሱስ ድማ፡ ኣነውን ሓንቲ ነገር እሓተኩም ኣሎኹ። ምለሱለይ፡ ኣነ ኸኣ በየናይ ስልጣን እዚ ኸም ዝገብር ክነግረኩም እየ። 30ጥምቀት ዮሃንስ ኻብ ሰማይ ድያ ወይስ ካብ ሰብ፧ እስኪ ምለሱለይ። 31ንሓድሕዶም ከኣ ከምዚ እናበሉ ተዛራረቡ፡ ካብ ሰማይ እንተ በልናዮ፡ ከመይ ደኣ ዘይኣመንኩምዎ፧ ክብለና እዩ። 32ካብ ሰብ እንተ በልናዮ ኸኣ፡ — ንዮሃንስ ኵሎም ብሓቂ ኸም ነብዪ ይርእይዎ ነበሩ እሞ፡ ነዚ ህዝቢ ፈርሁ። 33ንየሱስ፡ ኣይንፈልጥን፡ ኢሎም መለስሉ። የሱስ ከኣ፡ ኣነውን በየናይ ስልጣን እዚ ኸም ዝገብር፡ ኣይነግረኩምን እየ፡ በሎም።
ወን.ማርቆስ ምዕራፍ 12
1ብምስላ ድማ ክብሎም ጀመረ፡ ሰብኣይ ኣታኽልቲ ወይኒ ተኸለ፡ ሓጹር ሓጸሮ፡ መሐምተሊ ኸኣ ኰዓተሉ፡ ግምቢውን ሰርሓሉ፡ ንዓየይቲ ብመገስ ሂብዎም ድማ ገሸ። 2ግዜኡ ምስ በጽሐ፡ ካብቶም ዓየይቲ ፍረ እቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ኸምጽኣሉ፡ ናብቶም ዓየይቲ ባርያኡ ለኣኸ። 3ንሳቶም ግና ሒዞም ገሪፎም፡ ጥራይ ኢዱ ሰደድዎ። 4ከም ብሓድሽ ካልእ ባርያ ናባታቶም ለኣኸ። ንእኡ ኸኣ ርእሱ ብእምኒ ፈግእዎ፡ ኣሕሲሮምውን ሰደድዎ። 5ካልእ ድማ ለኣኸ፡ ንእኡውን ቀተልዎ። ብዙሓት ካልኦት ከኣ ለኣኸ፡ ንገሊኦም ገረፍዎም፡ ንገሊኦም ድማ ቐተልዎም። 6ግና ዘፍቅሮ ሓደ ወዲ ነበሮ። ኣብ መወዳእታ ፥ እስኪ ንወደይ እንተ ሓፈርዎ፡ ኢሉ ንእኡ ናባታቶም ለኣኾ። 7እቶም ዓየይቲ ግና፡ እዚ እቲ ወራሲ እዩ፡ ንዑ ንቕተሎ እሞ እቲ ርስቱ ንኣና ክኸውን፡ ተበሃሃሉ። 8ሒዞም ቀተልዎ፡ ካብቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ኸኣ ናብ ወጻኢ ደርበይዎ። 9እቲ ጐይታ ኣታኽልቲ ወይኒ ሕጂ ደኣ እንታይ ክገብር እዩ፧ መጺኡ ነቶም ዓየይቲ ኸጥፍኦም፡ እቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ኸኣ ንኻልኦት ክህቦም እዩ። 10-11እታ ፥ ነደቕቲ ዝነዓቕዎ እምኒ፡ ንሱ ርእሲ መኣዝን ኰነ፡ እዚ ኻብ እግዚኣብሄር ኰነ፡ ኣብ ኣዒንትናውን ግሩም እዩ፡ እትብል ጽሕፈትሲ ከቶዶ ኣየንበብኩምዋን ኢኹም፧ 12ነዚ ምስላ እዚ ብዛዕባኦም ከም ዝበሎ ፈሊጦም ነበሩ እሞ፡ ክሕዝዎ ደለዩ፡ ነቶም ህዝቢ ፈሪሆም ግና፡ ሓዲጎምዎ ኸዱ።
13ብዘረባ ኽጠልፍዎ ኸኣ፡ ካብ ፈሪሳውያንን ካብ ሄሮድሳውያንን ሓያሎ ሰደዱሉ። 14መጺኦም ድማ፡ መምህር፡ መገዲ ኣምላኽ ደኣ ብሓቂ ትምህር ኣሎኻ እምበር፡ ነዚ ነቲ ኣይትብልን ኢኻ እሞ፡ ገጽ ሰብ ርኢኻ ዘይተዳሉ ሓቀኛ ምዃንካ ንፈልጥ ኣሎና። ንቄሳር ግብሪ ምሃብሲ ተፈቒዱ ድዩ ወይስ ኣይፋሉን፧ ንሃብዶ ኣይንሃብ፧ በልዎ። 15የሱስ ግብዝናኦም ፈሊጡ፡ ስለምንታይ ትፍትኑኒ ኣሎኹም፧ እቲ ዲናር ክርእዮ ኣምጽኡለይ፡ በሎም። 16ኣምጽኡሉ። ንሱ ኸኣ ፥ እዝስ ስእሉን ጽሕፈቱን ናይ መን እዩ፧ በሎም። ንሳቶም፡ ናይ ቄሳር፡ በልዎ። 17የሱስ ከኣ፡ እምብኣርሲ ናይ ቄሳር ንቄሳር፡ እቲ ናይ ኣምላኽውን ንኣምላኽ ሃቡ፡ ኢሉ መለሰሎም። ብእኡ ድማ ገረሞም።
18ትንሳኤ የልቦን ዝብሉ ሰዱቃውያን ከኣ ናብኡ መጹ፡ ከምዚ ኢሎምውን ሓተትዎ፡ 19መምህር፡ ሓዉ ዝሞቶ ዘበለ ውሉድ ከይወለደውን ሰበይቱ እንተ ሓደገ፡ ነታ ሰበይቱ እቲ ሓዉ ይውረሳ እሞ፡ ንሓዉ ዘርኢ የቝመሉ፡ ኢሉ ሙሴ ጸሓፈልና። 20ሾብዓተ ኣሕዋት ነበሩ። እቲ ቐዳማይ ሰበይቲ ኣእተወ፡ ውሉድ ከይሓደገ ኸኣ ሞተ። 21እቲ ኻልኣይ ድማ ወረሳ፡ ሓድጊ ኸይሓደገውን ሞተ። እቲ ሳልሳይ ኸኣ ኸምኡ። 22ሾብዓቲኦም ከኣ ሓድጊ ኣይሓደጉን። ድሕሪ ዅሎም ድማ እታ ሰበይቲ ሞተት። 23ሾብዓቲኦም ኣእትዮምዋ ነይሮም እዮም እሞ፡ ብትንሳኤ ምስ ተንስኡስ፡ ሰበይቲ መኖም ክትከውን እያ፧ 24የሱስ ከኣ ፥ መጻሕፍቲ ዀነ ወይስ ሓይሊ ኣምላኽ ሰኣን ምፍላጥኩም ደይኰንኩምን እትስሕቱ ዘሎኹም፧ 25ካብ ምዉታት ምስ ተንስኡስ፡ ከም መላእኽቲ ኣምላኽ ኣብ ሰማያት እዮም ዝዀኑ እምበር፡ ኣየእትዉን ኣየተኣታትዉን እዮም። 26ብዛዕባ ምዉታት ከም ዝትንስኡኸ፡ ኣብ መጽሓፍ ሙሴ፡ ኣምላኽ ኣብቲ ኣሻዅ ቈጥቋጥ ፥ ኣነ ኣምላኽ ኣብርሃምን ኣምላኽ ይስሃቅን ኣምላኽ ያእቆብን እየ፡ ኢሉ ኸም ዝበለዶ ኣየንበብኩምን ኢኹም፧ 27ንሱ ናይ ህያዋን ኣምላኽ እምበር፡ ናይ ምዉታት ኣምላኽ ኣይኰነን። ንስኻትኩም ኣዚኩም ትስሕቱ ኣሎኹም፡ ኢሉ መለሰሎም።
28ካብ ጸሓፍቲ ሓደ ኽርክሮም ሰሚዑ ቐረበ፡ ጽቡቕ ከም ዝመለሰሎም ርእዩ ኸኣ ፥ ካብ ኩለን ትእዛዛትሲ ኣየነይቲ እያ ቐዳመይቲ፧ ኢሉ ሓተቶ። 29የሱስ መለሰ ፥ እታ ቐዳመይቲ እዚኣ እያ ፥ እስራኤል፡ ስማዕ ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽና፡ ንሱ በይኑ እዩ እግዚኣብሄር። 30ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብዅሉ ንፍስኻን ብዅሉ ሓሳብካን ብዅሉ ሓይልኻን ኣፍቕሮ። እታ ቐዳመይቲ ትእዛዝ እዚኣ እያ። 31እታ ኻልአይታ እትመልሳ ድማ ፥ ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቕሮ፡ እያ። ካብ እዚኣተን እትዓቢ ኻልእ ትእዛዝ የልቦን። 32እቲ ጸሓፊ ኸኣ ፥ መምህር፡ ብሓቂ ጽቡቕ ተዛረብካ፡ ኣምላኽ ሓደ እዩ፡ ብጀካኡ ድማ ካልእ የልቦን። 33ብምሉእ ልብኻን ብምሉእ ኣእምሮኻን ብዅሉ ሓይልኻን ከተፍቅሮ ንብጻይካውን ከም ነፍስኻ ኸተፍቅሮ፡ እዚ ኻብ ኵሉ ዝሓርር መስዋእትን ካብ መስዋእቲ ሕሩድን ዝዓቢ እዩ፡ በሎ። 34የሱስ ድማ፡ በእምሮ ኸም ዝመለሰ ምስ ረኣዮ፥ ንስኻስ ካብ መንግስቲ ኣምላኽ ርሑቕ ኣይኰንካን፡ በሎ። ደጊሙ ኽሓቶ ኸኣ ሓደ እኳ ኣይደፈረን። 35የሱስ ድማ ኣብ ቤተ መቕደስ ክምህር ከሎ፡ መለሰ በለውን ፥ ጸሓፍቲ ኸመይ ኢሎም እዮም ፥ ክርስቶስ ወዲ ዳዊት እዩ ዝብሉ፧ 36ዳዊት ባዕሉ ብመንፈስ ቅዱስ ፥ ጐይታ ንጐይታይ ፥ ንጸላእትኻ መርገጽ እግርኻ ኽሳዕ ዝገብሮም፡ ኣብ የማነይ ተቐመጥ፡ በሎ፡ ይብል። 37ዳዊት ባዕሉ ጐይታይ ካብ ዝብሎ ደኣ፡ ከመይ ኢሉ ወዱ ይዀኖ፧ እቶም ብዙሓት ሰብ ድማ ባህ ኢልዎም ሰምዕዎ።
38-39ብምህሮኡ ኸኣ በሎም ፥ ካብቶም ነዊሕ ባርኖስ ተኸዲኖም ዝዞሩን ኣብ ዕዳጋውን ክሳለምዎም ዝፈትዉን ኣብ ቤት ጸሎት ኣውራ ምቕማጥ፡ ኣብ መኣዲ ኸኣ ስፍራ ኽብሪ ዝደልዩን ጸሓፍቲ ተጠንቀቑ። 40ኣባይቲ መበለታት ይውሕጡ፡ ከምስሉ ኸኣ ጸሎት የንውሑ። እዚኣቶም ዝገደደ ፍርዲ ክቕበሉ እዮም።
41የሱስ ድማ ኣብ መንጽር ሳጹን ምጽዋት ተቐሚጡ፡ እቶም ሰብ ኣብቲ ሳጹን ምጽዋት ከመይ ገይሮም ገንዘብ ከም ዘውድቑ ረኣየ። ብዙሓት ሃብታማት ብዙሕ ኣውደቑ። 42ሓንቲ ድኻ መበለት ከኣ መጺኣ ኽልተ ለብጦን፡ ሓደ ቆድራንቴን ዝኣክል፡ ኣውደቐት። 43ንደቀ መዛሙርቱ ጸዊዑ ኸኣ ፥ እዛ ድኻ መበለት እዚኣ ኻብዞም ኣብዚ ሳጹን ምጽዋት ዘውደቑ ዅሎም ዝበዝሕ ከም ዘውደቐት፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 44ኵሎም ካብ ተረፎም እዮም ዘውደቑ እሞ፡ እዚኣ ግና ካብ ድኽነታ ዘለዋ ዘበለ ዅሉ ምግባ እያ ዝሃበት፡ በሎም።
ወን.ማርቆስ ምዕራፍ 13
1ካብ ቤተ መቕደስ ምስ ወጸ ድማ፡ ሓደ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ ፥ መምህር፡ ከመይ ዝበለ ኣእማንን ከመይ ዝበለ ህንጻንማ ርኤ፡ በሎ። 2የሱስ ድማ ፥ ነዚ ዓብዪ ህንጻዶ ትርእዮ ኣሎኻ፧ ዘይፈርስ እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ ኣይክተርፍን እዩ፡ ኢሉ መለሰሉ።
3ኣብ ደብረ ዘይቲ ኣብ ማዕዶ ቤተ መቕደስ ተቐሚጡ ኸሎ፡ ጴጥሮስን ያእቆብን ዮሃንስን እንድርያስን ብሕት ኢሎም ፥ 4እስኪ ንገረና፡ እዚ መኣዝ ክኸውን እዩ፧ እዚ ዅሉ መኣዝ ከም ዝፍጸምሲ፡ ትእምርቱ እንታይ እዩ፧ ኢሎም ሓተትዎ። 5የሱስ ከኣ ክብሎም ጀመረ፡ ሓደ እኳ ኸየስሕተኩም ተጠንቀቑ። 6ብዙሓት ፥ ኣነ እየ፡ እናበሉ ብስመይ ክመጹ እዮም እሞ፡ ንብዙሓት ከኣ ከስሕቱ እዮም። 7ውግእን ወረ ውግእን እንተ ሰማዕኩም፡ ኣይትሸበሩ። እዚ ክኸውን ብግዲ እዩ፡ ግናኸ መወዳእታ ገና እዩ። 8ህዝቢ ናብ ህዝቢ፡ መንግስቲውን ናብ መንግስቲ ኽለዓል እዩ እሞ፡ በብቦታኡ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ክኸውን፡ ጥሜት ክኸውን እዩ። እዚ መጀመርያ ቕልውላው እዩ።
9ንኣታቶም ንምስክር ግና ምእንታይ ንዋዕላ ኣሕሊፎም ክህብኹም፡ ኣብ ቤት ጸሎቶምውን ክገርፉኹም፡ ኣብ ቅድሚ መኳንንትን ነገስታትን ከኣ ደው ከብሉኹም እዮም እሞ፡ ንርእስኹም ተጠንቀቑ። 10ቅድም ንዅሎም ኣህዛብ ወንጌል ክስበኽ ከኣ ብግዲ እዩ። 11መንፈስ ቅዱስ እዩ እምበር፡ ንስኻትኩም ኣይኰንኩምን እትዛረቡ እሞ፡ ኣሕሊፎም ክህቡኹም ምስ ወሰዱኹም፡ እንታይ ከም እትዛረቡ ኣቐዲምኩም ኣይትጨነቑ፡ እቲ በታ ሰዓት እቲኣ ዝውሃበኩም ደኣ ተዛረቡ። 12ሓው ንሓው፡ ወላዲ ንውሉዱ ኣሕሊፉ ንሞት ክህብ እዩ። ውሉድውን ናብ ወለዶም ተንሲኦም ክቐትልዎም እዮም። 13ምእንቲ ስመይ ከኣ ኵሉ ኽጸልኣኩም እዩ። እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዝዕገስ ግና፡ ንሱ ኽድሕን እዩ።
14እቲ ብነብዪ ዳንኤል እተባህለ ጥፍኣት ርኽሰት ኣብ ዘይግብኦ ስፍራ ቘይሙ እንተ ርኤኹም፡ እቲ ዘንብብ የስተውዕል፡ ሽዑ ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ናብ ኣኽራን ይህደሙ። 15ኣብ ዝባን ናሕሲ ዘሎ ኸኣ፡ ካብ ቤቱ ገለ ኽማላእ ኣይውረድ ኣይእቶውን። 16ኣብ ወፍሪ ዘሎ ኸኣ ክዳኑ ኽማላእ ንድሕሪት ኣይመለስ። 17በታ ቕነ እቲኣ ግና ንጥኑሳትን ንዘጥብዋን ወይለአን። 18-19ካብታ ኣምላኽ መጀመርያ ፍጥረት ዝፈጠረላ ኽሳዕ ሎሚ ኸምኡ ዘይኰነ፡ ድማ ከቶ ዘይከውን መከራ በታ ቕነ እቲኣ ክኸውን እዩ እሞ፡ ምህዳምኩም ብኽረምቲ ኸይከውንሲ ጸልዩ። 20እተን መዓልትታት እቲአን እግዚኣብሄር እንተ ዘየሕጽረንሲ፡ ስጋ ዝለበሰ ዅሉ ኣይምደሓነን ነይሩ። ምእንቲ እቶም ንሱ ዝሓረዮም ሕሩያት ግና ነተን መዓልትታት እቲአን ኣሕጸረን። 21ሽዑ ሓደ እኳ፡ ክርስቶስ ኣብዚ እንሆ፡ ወይስ ኣብቲ ኣሎ፡ እንተ በለኩም፡ ኣይትእመኑ። 22ናይ ሓሶት ክርስቶሳትን ናይ ሓሶት ነብያትን ክትንስኡ እዮም እሞ፡ እንተ ተኻእሎምሲ፡ ነቶም ሕሩያትውን ከስሕቱ፡ ትእምርትን ተኣምራትን ክገብሩ እዮም። 23ንስኻትኩም ግና ተጠንቀቑ። እንሆ ኣቐዲመ ዅሉ ነገርኩኹም።
24በታ ቕነ እቲኣ ድሕርዚ መከራዚ ጸሓይ ክትጽልምት፡ ወርሒውን ብርሃና ኣይክትህብን እያ። 25ከዋኽብቲ ኸኣ ካብ ሰማይ ክወድቁ፡ ሓይልታት ሰማያትውን ከንቀጥቅጡ እዮም። 26ሽዑ ንወዲ ሰብ ብብዙሕ ሓይልን ግርማን ብደበና ኽመጽእ ከሎ፡ ክርእይዎ እዮም። 27ሽዑ ኸኣ ንመላእኽቱ ኽልእኮም፡ ነቶም ሕሩያቱ ድማ ካብ ኣርባዕተ መኣዝን ንፋሳት፡ ካብ ወሰን ምድሪ ኽሳዕ ወሰን ሰማይ ክእክቦም እዩ።
28ምስላኡ ኻብ ኦም በለስ ተምሃሩ። ጨናፍራ ምስ ለምለመ ቈጽላውን ምስ ጠጥዐ፡ ክረምቲ ኸም ዝቐረበ፡ ትፈልጡ ኢኹም። 29ንስኻትኩም ድማ ከምኡ እዚ ክኸውን ከሎ እንተ ርኤኹም፡ ኣብ ኣፍ ቤት ከም ዝቐረበ ፍለጡ። 30እዚ ዅሉ ኽሳዕ ዝኸውን፡ እዚ ወለዶ እዚ ኸም ዘይሓልፍ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 31ሰማይን ምድርን ክሓልፍ፡ ቃለይ ግና ኣይክሓልፍን እዩ። 32ብዛዕባ እታ መዓልቲ እቲኣን እታ ሰዓት እቲኣን ግና ኣቦ ደኣ እምበር፡ መላእኽቲ ሰማይ ኰኑ ወዲ ዀነ ሓደ እኳ ዝፈልጥ የልቦን።
33እቲ ግዚኡ መኣዝ ምዃኑ ኣይትፈልጥዎን ኢኹም እሞ፡ ተጠንቀቑ፡ ንቕሑን ጸልዩን። 34ከም ዝገሸ ሰብ እዩ ፥ ቤቱ ኽሓድግ ከሎ፡ ንባሮቱ ስልጣን ሃቦም፡ ንነፍሲ ወከፍ ከኣ ዕዮኡ፡ ንሓላው ደገውን ክነቅሕ ኣዘዞ። 35-36እቲ ብዓል ቤት መኣዝ ከም ዝመጽእ፡ ኣይትፈልጡን ኢኹም እሞ፡ ወይ ምሸት፡ ወይ ፍርቂ ለይቲ፡ ወይ ደርሆ ነቆ፡ ወይ ከኣ ንግሆ፡ ብድንገት መጺኡ ደቂስኩም ከይረኽበኩምሲ፡ ስለዚ ንቕሑ። 37እዚ ንኣኻትኩም ዝብለኩም ዘሎኹ፡ ንዅሉ እብሎ ኣሎኹ ፥ ንቕሑ።
ወን.ማርቆስ ምዕራፍ 14
1ድሕሪ ኽልተ መዓልቲ ፋስጋን በዓል ቅጫን ነበረ። ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን ብተንኰል ሒዞም ክቐትልዎ ደለዩ። 2ግናኸ ኣብ ህዝቢ ጋሮ ኸይለዓልሲ ብበዓል ኣይኹን፡ በሉ።
3ኣብ ቢታንያ ኣብ ቤት ስምኦን፡ እቲ ለምጻም፡ ኣብ መኣዲ ተቐሚጡ ኸሎ፡ ሓንቲ ሰበይቲ ብዙሕ ዝዋጋኡ ጽሩይ ቅብኢ ናርዶስ ዝመልአ ቢልቃጥ ሒዛ መጸት። ነቲ ቢልቃጥ ሰቢራ ኸኣ ኣብ ርእሱ ኣፍሰሰቶ። 4ሓያሎ ብልቦም እናተናደዱ ፥ ንምንታይ እዚ ጥፍኣት ቅዱይ ቅብኢ ዀነ፧ 5እዚ ቕዱይ ቅብኢ እዚ ኻብ ሰለስተ ሚእቲ ዲናር ንዝበዝሕ ተሸይጡስ፡ ንድኻታት ግዳ ምተዋህበ ነይሩ፡ ኢሎም ኰረዩላ። 6የሱስ ግና ፥ ስለምንታይ ተጕህይዋ ኣሎኹም፧ ሕደግዋ፡ ጽቡቕ ግብሪ ገይራትለይ ኣላ። 7ድኻታትሲ ዅሉ ሳዕ ምሳኻትኩም ኣለዉ፡ ጽቡቕ ክትገብሩሎም እንተ ደሌኹም ከኣ፡ ይከኣለኩም እዩ። ንኣይ ግና ኵሉ ሳዕ ኣይትረኽቡንን ኢኹም። 8ዝከኣላ ገበረት፡ ኣቐዲማ ንቐብረይ ስጋይ ቀብአት። 9እዚ ወንጌል እዚ ኣብ እተሰብኮ ዘበለ ኣብ ኵላ ዓለም፡ እዚ ንሳ ዝገበረቶ ንመዘከሪኣ ኸም ዝንገር፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ በለ።
10ይሁዳ ኣስቆሮታዊ፡ ካብቶም ዓሰርተው ክልተስ ሓደ፡ ንእኡ ኣሕሊፉ ኽህቦም፡ ናብ ሊቃውንቲ ኻህናት ከደ። 11ሰሚዖም ተሓጐሱ። ኣቕራሽ ክህብዎ ኸኣ ኣውዓሉሉ። ንሱ ድማ ኣሕሊፉ ኽህቦም ምሹእ ግዜ ይደሊ ነበረ።
12በታ ገንሸል ፋስጋ ዝሕረደላ ቐዳመይቲ መዓልቲ በዓል ቅጫ፡ ደቀ መዛሙርቱ ፥ ገንሸል ፋስጋ ኽትበልዕ፡ ናበይ ኬድና ኸነዳልወልካ ትደሊ፧ በልዎ። 13ካብቶም ደቀ መዛሙርቱ ኽልተ ልኢኹ ድማ፡ ናብ ከተማ ኺዱ፡ ኣብኡ ዕትሮ ማይ እተሰከመ ሰብኣይ ክትረኽቡ ኢኹም፡ ንእኡ ስዓብዎ። 14ኣብታ ዝኣትዋ ኸኣ ነቲ ብዓል ቤት ፥ ምስ ደቀ መዛሙርተይ ገንሸል ፋስጋ ዝበልዓላ ቤት ኣጋይሽ ኣበይ እያ፧ ይብለካ ኣሎ መምህር፡ በልዎ። 15ንሱ ኸኣ ኣብ ደርቢ እተነጽፈን እተዳለወን ኣዳራሽ ከርእየኩም እዩ። ኣብኡ ኣዳልዉልና፡ በሎም። 16እቶም ደቀ መዛሙርቱ ኸዱ፡ ናብታ ኸተማ ኸኣ መጹ፡ ከምቲ ዝበሎም ድማ ረኸቡ፡ ገንሸል ፋስጋውን ኣዳለዉ።
17ምስ መሰየ፡ ንሱ ምስቶም ዓሰርተው ክልተ መጸ። 18ኣብ መኣዲ ተቐሚጦም ክበልዑ ኸለዉ፡ የሱስ ፥ ሓደ ኻባኻትኩም፡ እቲ ምሳይ ዝበልዕ፡ ከትሕዘኒ እዩ፡ ኢለ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ በለ። 19ክጕህዩ ጀመሩ፡ በብሓደ ኸኣ፡ ኣነ ደዀን እኸውን፧ በሉ። 20ንሱ ኸኣ በሎም፡ ካብቶም ዓሰርተው ክልተስ ሓደ፡ ምሳይ ኣብ ጻሕሊ ዝጠልቕ፡ እዩ። 21ወዲ ሰብሲ፡ ከምቲ ብዛዕባኡ እተጻሕፈ፡ ይኸይድ፡፡ እቲ፡ ወዲ ሰብ ብእኡ ዝተሓዝ ሰብኣይ ግና ወይለኡ። እቲ ሰብኣይ እትስ እንተ ዘይውለድ፡ ምሓሾ ነይሩ።
22ክበልዑ ኸለዉ ድማ፡ እንጌራ ኣልዒሉ፡ ባሪኹ ቘረሰ፡ ንኣታቶም ከኣ፡ ውሰዱ፡ እዚ ስጋይ እዩ፡ ኢሉ ሃቦም። 23ጽዋእ ኣልዒሉ ድማ ኣመስጊኑ ሃቦም፡ ኵሎምውን ካብኡ ሰተዩ። 24ንሱ ኸኣ፡ እዚ ምእንቲ ብዙሓት ዝፈስስ ናይ ሓድሽ ኪዳን ደመይ እዩ። 25ክሳዕ እታ መዓልቲ እቲኣ ኣብታ መንግስቲ ኣምላኽ ሓድሽ ክሳዕ ዝሰትዮ፡ ካብ ፍረ ኦም ወይኒ ኣይክሰትን እየ፡ ኢሉ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ በሎም።
26መዝሙር ምስጋና ምስ ዘመሩ ኸኣ፡ ናብ ደብረ ዘይቲ ደየቡ።
27የሱስ ድማ ፥ ነቲ ጓሳ እቐትሎ፡ እተን ኣባጊዕ ከኣ ፋሕ ይብላ፡ ጽሑፍ እዩ እሞ፡ በዛ ለይቲ እዚኣ ዅሉኹም ብኣይ ክትዕንቀፉ ኢኹም። 28ምስ ተንሳእኩ ግና፡ ናብ ገሊላ ክቕድመኩም እየ፡ በሎም። 29ጴጥሮስ ድማ ፥ ኵሎም እንተ ተዓንቀፉ እኳ፡ ኣነስ ኣይዕንቀፍን እየ፡ በሎ። 30የሱስ ድማ ፥ ሎሚ በዛ ለይቲ እዚኣ ደርሆ ኽልተ ሳዕ ከይነቀወ፡ ሰለስተ ሳዕ ክትክሕደኒ ኢኻ፡ ኢሉ ብሓቂ እብለካ ኣሎኹ፡ በሎ። 31ሽዑ ንሱ ፥ ምሳኻ ንሙማት እንተ ዀነ እኳ፡ ከቶ ኣይክሕደካን እየ፡ ኢሉ ኣዝዩ ኣጽኒዑ ተዛረበ። ኵሎምውን ከምኡ በሉ።
32ጌተሰማኔ ናብ እትብሃል ቦታ መጹ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ኸኣ፡ ክሳዕ ዝጽሊ፡ ኣብዚ ተቐመጡ፡ በሎም። 33ንጴጥሮስን ያእቆብን ዮሃንስን ምስኡ ወሰደ፡ ክጕህን ክትክዝን ጀመረ እሞ ፥ 34ነፍሰይ ክሳዕ ሞት ኣዝያ ትጕሂ ኣላ፡ ኣብዚ ኹኑ ንቕሑውን፡ በሎም። 35ቅሩብ ንቕድሚት ሕልፍ ኢሉ ኣብ ምድሪ ተደፍአ፡ ዝከኣል እንተ ዀይኑስ፡ እዛ ሰዓት ካብኡ ኽትሓልፍ ጸለየ እሞ ፥ 36ኣባ፡ ኣቦይ፡ ኵሉ ይከኣለካ እዩ፡ እዛ ጽዋእ እዚኣ ኻባይ ኣሕልፋ። ግናኸ ንስኻ ከም እትደልዮ እምበር፡ ኣነ ኸም ዝደልዮ ኣይኹን፡ በለ። 37መጸ፡ ደቂሶም ከኣ ረኸቦም፡ ንጴጥሮስ ድማ ፥ ስምኦን፡ ደቂስካዶ፧ ሓንቲ ሰዓት ክትነቅሕዶ ኣይከኣልካን፧ 38ናብ ፈተና ኸይትኣትዉ፡ ንቕሑ ጸልዩውን። መንፈስሲ ተዳልዩ ኣሎ፡ ስጋ ግና ድኹም እዩ፡ በሎ። 39ከም ብሓድሽ ከይዱ ድማ፡ እቲ ኢልዎ ዝነበረ ቓል ጸለየ። 40ተመሊሱ ኸኣ ኣዒንቶም ባዕዚዙ ነበረ እሞ፡ ካልኣይ ደቂሶም ረኸቦም፡ እንታይ ከም ዝመልሱሉ ኸኣ ኣይፈልጡን ነበሩ። 41ሳልሳይ መጺኡ ኸኣ ፥ ደጊም ደቅሱን ዕረፉውን። ይኣክል፡ እታ ሰዓት በጺሓ። እንሆ፡ ወዲ ሰብ ኣብ ኢድ ሓጥኣን ክትሓዝ እዩ። 42ተንስኡ ንኺድ፡ እቲ ዘትሕዘኒ እንሆ፡ ቀሪቡ ኣሎ፡ በሎም።
43ብኡብኡ ገና ኽዛረብ ከሎ፡ ይሁዳ፡ ካብቶም ዓሰርተው ክልተስ ሓደ፡ መጸ። ምስኡ ኸኣ ካብ ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን ዓበይትን፡ ኣስያፍ ኣባትርን ዝሓዙ እኩባት ህዝቢ መጹ። 44እቲ ዘትሕዞ ኸኣ፡ እቲ ኣነ ዝስዕሞ፡ ንሱ እዩ፡ ሓዝዎ ኣጽኒዕኩምውን ውሰድዎ፡ ኢሉ መፈለጥታ ሃቦም። 45መጺኡ ድማ ብኡብኡ ናብኡ ቐሪቡ፡ ረቢ፡ ረቢ፡ ኢሉ ሰዓሞ። 46ንሳቶም ከኣ ኣእዳዎም ናብኡ ዘርጊሖም ሓዝዎ። 47ካብቶም ኣብ ጥቕኡ ደው ዝበሉ ሓደ ግና ሰይፉ መሊሑ፡ ነቲ ባርያ ሊቀ ኻህናት ወቒዑ፡ እዝኑ ቘረጾ። 48የሱስ ድማ ፥ ከም ንኸታሪዶ ኣስያፍን ኣባትርን ሒዝኩም፡ ክትሕዙኒ መጻእኩም፧ 49ኣብ ቤተ መቕደስ እናመሃርኩ ዕለት ዕለት ምሳኻትኩም እውዕል ነበርኩ እሞ ኣይሓዝኩምንን። እዚ ግና እተን ጽሑፋት ምእንቲ ኽፍጸማ ይኸውን ኣሎ፡ ኢሉ መለሰሎም። 50ኵሎም ከኣ ሓዲጎምዎ ሃደሙ።
51ነጸላ እተኸድነ ጐበዝ ድማ ሰዓቦ፡ ንእኡ ኸኣ ሓዝዎ። 52ንሱ ግና ነጸላኡ ሓዲጉ ጥራይ ዝባኑ ሃደመ።
53ንየሱስ ድማ ናብ ሊቀ ኻህናት ወሰድዎ። ብዘለዉ ሊቃውንቲ ኻህናትን ዓበይትን ጸሓፍትን ናብኡ ተኣከቡ። 54ጴጥሮስ ድማ ርሕቕ ኢሉ ኽሳዕ ውሽጢ ገዛ ሊቀ ኻህናት ሰዓቦ። ኣብኡ ምስቶም ገላዉ ተቐሚጡ ኸኣ ሓዊ ይስሕን ነበረ።
55ሊቃውንቲ ኻህናትን ኵሎም ዋዕላን ንየሱስ ክቐትልዎ ምስክር ደለዩ፡ ኣይረኸቡን ከኣ። 56ብዙሓት ብሓሶት መስከሩ፡ ምስክሮም ግና ኣይተሳማምዐን። 57ሓያሎ ምስክር ሓሶት ድማ ፥ 58ኣነ ነዛ ብኢድ እተገበረት ቤተ መቕደስ ከፍርሳ እየ፡ ብኢድ ዘይተገብረት ካልእ ከኣ ብሰለስተ መዓልቲ ኽሃንጽ እየ፡ ክብል ከሎ፡ ንሕና ሰሚዕናዮ፡ ዝብል ተንስእዎ። 59ምስክሮም ከኣ በዚውን ኣይገጠመን። 60እቲ ሊቀ ኻህናት ኣብ ማእከሎም ብድድ ኢሉ ፥ በዚ ዝምስክሩልካ ዘለዉስ እኳዶ ኣይትምልስን ኢኻ፧ ኢሉ ንየሱስ ሓተቶ። 61ንሱ ኸኣ ስቕ በለ እምበር፡ ኣይመለሰን። እቲ ሊቀ ኻህናት ድማ ከም ብሓድሽ ፥ ክርስቶስ ወዲ እቲ ብሩኽዶ ንስኻ ኢኻ፧ ኢሉ ሓተቶ። 62የሱስ ድማ ፥ ኣነ እየ። ንወዲ ሰብ ኣብ የማን ሓይሊ ተቐሚጡ፡ ብደበና ሰማይ ክመጽእ ከሎ ኽትርእይዎ ኢኹም፡ በሎ። 63ሽዑ እቲ ሊቀ ኻህናት ክዳኑ ቐዲዱ ፥ ደጊምከ እንታይ ግዲ ምስክር ኣሎና፧ 64ምጽራፉ ሰሚዕኩም። እንታይ ይመስለኩም፧ በለ። ኵሎም ከኣ ፥ ሞት ይግብኦ፡ ኢሎም ፈረዱ። 65ሓያሎ ድማ ጡፍ ክብሉሉ፡ ገጹ ኣጐልቢቦም ከጕስጥዎ፡ ተነበውን ክብልዎ ጀመሩ። እቶም ገላዉ ድማ እናጸፍዑ ወሰድዎ።
66ጴጥሮስ ኣብ ታሕቲ ኣብ ገዛ ኸሎ፡ ካብ ኣግራድ ሊቀ ኻህናት ሓንቲ መጸት። 67ንጴጥሮስ፡ ሓዊ ኽስሕን ከሎ፡ ምስ ረኣየቶ ኸኣ፡ ንስኻውን ምስ የሱስ ናዝራዊ ኔርካ፡ እናበለት ጠመተቶ። 68ንሱ ግና ፥ እዚ ንስኺ እትብልዮ ዘሎኺ ኣይፈልጦን ኣየስተውዕሎንውን እየ፡ ኢሉ ኸሓደ። ካብ ገዛ ኸኣ ናብ ዓንቀጽ ወጸ፡ ደርሆውን ነቀወ። 69እታ ገረድ ረኣየቶ፡ ነቶም ኣብ ጥቓኡ ደው ኢሎም ዘለዉ ኸኣ፡ እዚ ኻባታቶም እዩ፡ ኢላ ኸም ብሓድሽ ክትነግሮም ጀመረት። 70ንሱ ድማ ከም ብሓድሽ ከሓደ። እቶም ደው ዝበሉ ቕሩብ ጽንሕ ኢሎም ንጴጥሮስ ፥ ገሊላዊ ኢኻ እሞ፡ ብሓቂ ኻባታቶም ኢኻ፡ ኣዛራርባኻውን ከምቲ ኣዛራርባኦም ይመስል፡ በልዎ። 71ንሱ ግና ፥ ነዚ እትብልዎ ዘሎኹም ሰብኣይ ኣይፈልጦን እየ፡ ኢሉ ኽርገምን ክምሕልን ጀመረ። 72ብኡብኡ ደርሆ ኻልኣይ ሳዕ ነቀወ። ጴጥሮስ ከኣ ነቲ የሱስ ፥ ደርሆ ኽልተ ሳዕ ከይነቀወ፡ ሰለስተ ሳዕ ክትክሕደኒ ኢኻ፡ ዝበሎ ቓል ዘከረ። ነዚ ነገርዚ ሓሲቡ በኸየ።
ወን.ማርቆስ ምዕራፍ 15
1ምስ ወግሓ፡ ብኡብኡ ሊቃውንቲ ኻህናት ዓበይትን ጸሓፍትን ብዘሎ እቲ ዋዕላን ምኽሪ መኸሩ፡ ንየሱስ ኣሲሮም ወሰድዎ፡ ኣሕሊፎም ከኣ ንጲላጦስ ሃብዎ። 2ጲላጦስ ድማ። ንስኻዶ ንጉስ ኣይሁድ ኢኻ፧ ኢሉ ሓተቶ። ንሱ፡ ንስኻ እኳ ትብል ኣሎኻ፡ ኢሉ መለሰሉ። 3ሊቃውንቲ ኻህናት ድማ ብዙሕ ከሰስዎ። 4ጲላጦስ ከኣ ከም ብሓድሽ ፥ እንሆ፡ ክንደይ ይኸሱኻ ኣለዉ። እኳዶ ኣይትመልስን ኢኻ፡ ኢሉ ሓተቶ። 5የሱስ ግና፡ ጲላጦስ ክሳዕ ዝግረም፡ ሓንቲ እኳ ኣይመለሰን። 6በብበዓል ድማ ዝለመንዎ ሓደ ኻብቶም እሱራት ይፈትሓሎም ነበረ። 7ምስቶም ጋሮ ዝገበሩ ኣብቲ ጋሮውን ነፍሲ ዝቐተለ፡ በርባን ዝብሃል ተኣሲሩ ነበረ። 8እቶም ህዝቢ ድማ ደይቦም፡ ከምታ ልማዶም ክገብረሎም፡ ክልምንዎ ጀመሩ። 9-10ጲላጦስ ከኣ እቶም ሊቃውንቲ ኻህናት ብቕንኣቶም ኣሕሊፎም ከም ዝሃብዎ ፈሊጡ ነበረ እሞ ፥ ነቲ ንጉስ ኣይሁድ ክፈትሓልኩምዶ ትደልዩ ኣሎኹም፧ ኢሉ መለሰሎም። 11እቶም ሊቃውንቲ ኻህናት ግና ነቶም ህዝቢ፡ ንበርባን ክፈትሓሎም ክልምኑ ኣዕገርገርዎም። 12ጲላጦስ ግና ከም ብሓድሽ ፥ ነዚ ንጉስ ኣይሁድ እትብልዎኸ እንታይ ክገብሮ ትደልዩ ኣሎኹም፧ ኢሉ መለሰሎም። 13ንሳቶም ግና ፥ ስቐሎ፡ ኢሎም ከም ብሓድሽ ጨደሩ። 14ጲላጦስ ከኣ ፥ እንታይ ክፋእከ ገበረ፧ በሎም። ንሳቶም ግና ዓው ኢሎም ፥ ስቐሎ፡ በሉ። 15ጲላጦስ ድማ፡ ፍቓድ እቶም ህዝቢ ኽገብር ስለ ዝፈተወ፡ ንበርባን ፈትሓሎም። ንየሱስ ከኣ ክስቀል ገሪፉ ሃቦም። 16እቶም ዓቀይቲ ድማ ናብ ውሽጢ እቲ ገዛ፡ ማለት ናብቲ ኣዳራሽ ፍርዲ፡ ኣእተውዎ። ንብዘሎ እቲ ጭፍራውን ኣኻኸብዎ። 17ቀይሕ ክዳን ከደንዎ፡ ኣኽሊል እሾኽ ተኒጎምውን ኣብ ርእሱ ደፍኡሉ እሞ፡ 18ዎ ንጉስ ኣይሁድ፡ ከመይ ኢኻ፧ እናበሉ ኢድ ክነስኡሉ ጀመሩ። 19ርእሱ ድማ ብዘንጊ ወቕዕዎ፡ ጡፍ ከኣ በሉሉ፡ ተንበርኪኾምውን ሰገድሉ። 20ምስ ኣላገጹሉ ድማ፡ እቲ ቐይሕ ክዳን ቀንጢጦም ክዳኑ ኸደንዎ። ክሰቕልዎውን ኣውጽእዎ። 21ንሓደ ሓላፍ መገዲ፡ ንስምኦን ቀሬናዊ፡ ኣቦ እስክንድሮስን ሩፎስን፡ ካብ ወፍሪ ኽኣቱ ኸሎ፡ መስቀሉ ኽጸውር ብግዲ ወሰድዎ። 22ናብ ቦታ ጐልጎታ፡— ትርጓሚኣ ፥ ቦታ ኣዕጽምቲ ርእሲ፡— ወሰድዎ። 23ምስ ከርበ እተሓወሰ ወይኒ ድማ ሃብዎ፡ ንሱ ግና ኣይተቐበለን። 24ምስ ሰቐልዎ ድማ፡ ክዳውንቱ ተማቐሉ፡ ንነፍሲ ወከፎም እንታይ ከም ዝበጽሖም ከኣ ዕጭ ኣውደቑ። 25እታ ዝሰቐልዎ ግዜ ኸኣ ሳልሰይቲ ሰዓት ነበረት። 26ንጉስ ኣይሁድ፡ ዝብል ጽሕፈት ክሱውን ኣብ ልዕሊኡ ተጽሒፉ ነበረ። 27ምስኡ ኸኣ ክልተ ኸተርቲ፡ ሓደ ብየማኑ ሓደ ኸኣ ብጸጋሙ፡ ሰቐሉ። 28እቲ ፥ ምስ ዓመጽቲ ተቘጽረ፡ ዝብል ጽሑፍ ተፈጸመ። 29-30እቶም ዝሓልፉ ድማ ርእሶም እናነቕነቑ ፥ ኣየ፡ ኣታ ንቤተ መቕደስ እተፍርሳ ብሰለስተ መዓልቲ እትሃንጻ፡ እስኪ ርእስኻ ኣድሕን፡ ካብ መስቀልውን ውረድ፡ እናበሉ ይጸርፍዎ ነበሩ። 31ከምኡ ኸኣ ሊቃውንቲ ኻህናት ምስ ጽሓፍቲ ንሓድሕዶም ፥ ንኻልኦት ኣድሓነ፡ ንርእሱ ኸድሕን ግና ኣይክእልን። 32ርኢና ኽንኣምንሲ፡ ክርስቶስ ንጉስ እስራኤል ሕጂ ኻብ መስቀል ይውረድ፡ እናበሉ ኣላገጽሉ። እቶም ምስኡ እተሰቕሉውን የላግጽሉ ነበሩ። 33ካብ ሳድሰይቲ ሰዓት ጀሚሩ ኽሳዕ ታስዐይቲ ሰዓት ከኣ ብዘላ እታ ሃገር ጸልመተት። 34ብታስዐይቲ ሰዓት የሱስ ብዓብዪ ድምጺ፡ ኤሎሄ፡ ኤሎሄ፡ ላማ ሰበቕታኒ፧ ኢሉ ጨርሐ። ትርጉሙ ኸኣ፡ ኣምላኸይ፡ ኣምላኸይ፡ ንምንታይ ሓደግካኒ፧ እዩ። 35ካብቶም ኣብኡ ደው ኢሎም ዝሰምዕዎ ኸኣ ሓያሎ ፥ እንሆ፡ ንኤልያስ ይጽውዖ ኣሎ፡ በሉ። 36ሓደ ጐይዩ ፥ ሕደጉ፡ ኤልያስ መጺኡ እንተ ኣውረዶ ንርአ፡ ኢሉ መጺጽ ብስፍነግ መሊኡ ኣብ ዘንጊ ገይሩ ኣስተዮ። 37ሽዑ የሱስ ብዓብዪ ድምጺ ጨርሐ፡ ነፍሱ ኸኣ ወጸት። 38መጋረጃ ቤተ መቕደስ ካብ ላዕሊ ኽሳዕ ታሕቲ ኣብ ክልተ ተተርተረ። 39እቲ ኣብ መንጽር ደው ኢሉ ዝነበረ ሓለቓ ሚእቲ ኸኣ፡ ነፍሱ ኸመይ ኢላ ኸም ዝወጸት፡ ምስ ረኣየ ፥ እዚ ሰብኣይ እዚ ብሓቂ ወዲ ኣምላኽ ነይሩ፡ በለ። 40ኣንስቲ ድማ ብርሑቕ ኰይነን የማዕድዋ ነበራ። ካባታተን ከኣ ማርያም ብዓልቲ መግደላን ማርያም ኣደ ያእቆብ ንእሽቶን ዮሳን ሰሎሜውን ነበራ። 41ንሳተን፡ ኣብ ገሊላ ኸሎ፡ ዝሰዓባኦን ዘገልግላኦን ብዙሓት ካልኦት ኣንስቲውን ምስኡ ናብ የሩሳሌም ዝደየባ እየን። 42ምስ መሰየ፡ መዓልቲ ምድላው፡ ማለት ድሮ ሰንበት፡ ስለ ዝነበረት፡ 43ዮሴፍ፡ ብዓል ኣርማትያስ፡ ሕፉር መኻሪ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽውን ዝጽበያ ዝነበረ፡ መጸ። ደፊሩ ናብ ጲላጦስ ኣትዩ ኸኣ፡ ስጋ የሱስ ለመኖ። 44ጲላጦስ ድማ ቀልጢፉ ብሙማቱ ገረሞ። ነቲ ሓለቓ ሚእቲ ጸዊዑ፡ ድሮዶ ሞይቱ፧ ኢሉ ሓተቶ። 45ካብቲ ሓለቓ ሚእቲ ምስ ተረድአ፡ ስጋኡ ንዮሴፍ ሃቦ። 46ንሱ ድማ፡ ኣውሪዱ በፍታ ዓዲጉ፡ በቲ በፍታ ገነዞ። ኣብ ከውሒ ኣብ እተወቕረ መቓብርውን ኣንበሮ። ነቲ ኣፍ መቓብር ከኣ ብእምኒ ዓጸዎ። 47ማርያም ብዓልቲ መግደላን ማርያም ኣደ ዮሳን ድማ ኣበይ ከም ዘንበርዎ ይርእያ ነበራ።
ወን.ማርቆስ ምዕራፍ 16
1ሰንበት ምስ ሓለፈት፡ ማርያም ብዓልቲ መግደላን ማርያም ኣደ ያእቆብን ሰሎሜን ከይደን ክለኽያኦ ቕዲት ዓደጋ። 2ብቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን ንግሆ፡ ጸሓይ ክትበርቕ ከላ፡ ናብ መቓብር መጸ። 3ንሓድሕደን ከኣ፡ እቲ እምንስ ካብቲ ኣፍ መቓብር መን ክግልብጠልና እዩ፧ ተባሃሃላ። 4እቲ እምኒ ኣዝዩ ገዚፍ ነበረ እሞ፡ ንላዕሊ ገጸን እንተ ጠመታ፡ ተገልቢጡ ረኣያ። 5ናብ መቓብር ኣትየን፡ ጻዕዳ ኽዳን እተኸድነ በጽሒ ኣብ የማን ተቐሚጡ ረኣያ፡ ሰምበዳ ኸኣ። 6ንሱ ድማ ፥ ኣይትሰምብዳ፡ ንስኻትክንሲ ነቲ እተሰቕለ የሱስ ናዝራዊ ትደልያ ኣሎኽን። ተንሲኡ፡ ኣብዚ የሎን። እታ ኣብኣ ዘንበርዎ ቦታ፡ እንሃ። 7ኪዳ ደኣ፡ ንደቀ መዛሙርቱን ንጴጥሮስን፡ ናብ ገሊላ ክቕድመኩም እዩ፡ ከምታ ዝበለኩም ከኣ ኣብኡ ኽትርእይዎ ኢኹም፡ ኢልክን ንገራኦም፡ በለን። 8ምንቅጥቃጥን ስምባድን ሒዝወን ነበረ እሞ፡ ካብ መቓብር ወጺአን ሃደማ። ፈሪሀን ስለ ዝነበራ ኸኣ፡ ንሓደ እኳ ኣይነገራን።
9በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን ንግሆ ምስ ተንስኤ፡ ነታ ሾብዓተ ኣጋንንቲ ዘውጽኣላ ማርያም ብዓልቲ መግደላ ቅድም ተራእያ። 10ንሳ ድማ ከይዳ ነቶም ምስኡ ዝነበሩ፡ ክበኽዩን ክጕህዩን ከለዉ፡ ነገረቶም። 11ንሳቶም ከኣ፡ ንሱ ህያው ምዃኑ፡ ንእኣውን ከም እተራእያ ምስ ሰምዑ፡ ኣይኣመኑን።
12ድሕርዚ ንኽልተ ኻባታቶም፡ ናብ ሃገረ ሰብ ክኸዱ ኸለዉ፡ ኣብ መገዲ ብኻልእ መልክዕ ተጋህደሎም። 13ንሳቶም ከኣ ከይዶም ነቶም ካልኦት ነገርዎም፡ ንኣታቶምውን ኣይኣመንዎምን።
14ድሕሪኡ ነቶም ዓሰርተው ሓደ፡ ኣብ መኣዲ ተቐሚጦም ከለዉ፡ ተጋህደ፡ ነቶም ተንሲኡ ዝረኣይዎ ኣይኣመንዎምን እዮም እሞ፡ ስለቲ ዘይምእማኖም ትሪ ልቦምን ከኣ ዘለፎም። 15በሎም ድማ ፥ ናብ ኵላ ዓለም ኪዱ፡ ንብዘሎ ፍጥረት ከኣ ወንጌል ስበኹሉ’። 16ዝኣመነን እተጠምቀን ክድሕን፡ እቲ ዘይኣመነ ግና ክዅነን እዩ። 17ነቶም ዝኣምኑውን እዚ ተኣምራት እዚ ኽስዕቦም እዩ ፥ ብስመይ ኣጋንንቲ ኸውጽኡ፡ ብሓድሽ ልሳን ከኣ ክዛረቡ፡ 18ኣትማን ክሕዙ እዮም፡ ዝቐትል እንተ ሰተዩ ኸኣ፡ ከቶ ኣይክጐድኦምን እዩ፡ ኣእዳዎም ኣብ ሕሙማት ከንብሩ ንሳቶምውን ክሓውዩ እዮም። 19ጐይታና የሱስ ምስ ተዛረቦም፡ ናብ ሰማይ ዓረገ፡ ኣብ የማን ኣምላኽውን ተቐመጠ። 20ንሳቶም ድማ ወጺኦም ኣብ ኵሉ ሰበኹ። ጐይታ ምሳታቶም ይገብር፡ ነቲ ቓልውን ብዝስዕብ ተኣምራት የጽንዖ ነበረ።