1ይሁዳ ባርያ የሱስ ክርስቶስ ሓዉ ያእቆብን፡ ናብቶም ጽውዓት፡ ብእግዚኣብሄር ኣቦና ፍቁራትን ንየሱስ ክርስቶስ እተሓለዉን፡ 2ምሕረትን ሰላምን ፍቕርን ይብዛሕኩም።
    3ኣቱም ፍቁራተይ፡ ብዛዕባ ሕብረት ምድሓንና ብዅሉ ቕንኣት ክጽሕፈልኩም ምስ ደለኹ፡ በታ ሓንሳእ ንቕዱሳት እተዋህበት እምነት ክትጋደሉ ጽሒፈ ኽመኽረኩም፡ ናይ ግዲ ዀነኒ። 4ገለ ሰባት ካብ ቀደም ነዚ ፍርዲ እዚ እተጻሕፉ፡ ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብሎም፡ ነቲ ጸጋ ኣምላኽና ናብ ርኽሰት ዝልውጥዎ፡ ነቲ ሓደ በይኑ ገዛእን ጐይታናን የሱስ ክርስቶስ ዝኽሕድዎ፡ ስሉኽ ኢሎም ኣትዮምኹም ኣለዉ።
    5ግናኸ ሓደ ግዜ እኳ ንዅሉ ፈሊጥኩምዎ ኽነስኹምሲ፡ ጐይታ ንህዝቡ ኻብ ምድሪ ግብጺ ኣድሒኑ፡ ደሓር ነቶም ዘይኣመኑ ኸም ዘጥፍኦም፡ ከዘክረኩም እደሊ ኣሎኹ። 6ነቶም ሰፈሮም ዝሓደጉ እምበር፡ መዓርጎም ዘይሓለዉ መላእኽቲ እኳ ብናይ ዘለኣለም መቓውሕ ደኣ ትሕቲ ጸልማት ነቲ ፍርዲ እታ ዓባይ መዓልቲ ዓቝርዎም ኣሎ። 7ከምኡውን ሶዶምን ጎሞራን እተን ኣብ ከባቢአን ዝነበራ ኸተማታትን፡ ከተማታቶም ብመገዶም ዝመንዘራ ደድሕሪ ስጋ ጓናውን ዝሰዓባ፡ በቲ ዝወረደን ቅጽዓት ናይ ዘለኣለም ሓዊ ንመሰክሒ ዀይነን ኣለዋ።
    8ምስናይዚ ኸኣ እዚኣቶም ከምኡ ገይሮም ብሕልሞም ንስጋኦም የርክስዎ፡ ንጕይትነት የቃልሉ፡ ንመዓርጋት ክብሪውን ይጸርፉ ኣለዉ። 9ሚካኤል፡ እቲ ሊቀ መላእኽቲ፡ ግና ብዛዕባ ስጋ ሙሴ ምስ ድያብሎስ እናተኻራኸረ ምስ ተማጐተ፡ እግዚኣብሄር ይግናሕካ፡ ደኣ በሎ እምበር፡ ፍርዲ ጸርፊ ኽዛረብ ኣይደፈረን። 10እዚኣቶም ግና ነቲ ዘይፈልጥዎ ይጸርፍዎ፡ በቲ ብባህርዮም ከምቶም ኣእምሮ ዘይብሎም እንስሳታት ገይሮም ዝፈልጥዎ ብእኡ ነታ ርእሶም የጥፍእዋ አለዉ። 11ብመገዲ ቃየል ስለ ዝኸዱ፡ ምእንቲ ዓስቢ ብስሕተት በላዓም ጸደፉ፡ ብዕልወት ቆራ ኸኣ ጠፊኦም እዮም እሞ፡ ወይለኦም።
    12እዚኣቶም ብዘይ ፍርሃት ምሳኻትኩም እናበልዑ ንርእሶም ዝጓስዩ፡ ኣብቲ ናይ ፍቕሪ መኣድኹም ጻያቒቶ እዮም፡ ንፋስ ንየው ነጀው ዝደፍኦ፡ ማይ ዘይብሉ ደበና፡ ዘይፈርያ፡ ክልተ ሳዕ ዝሞታ፡ ካብ ሱረን እተመንቈሳ ኣእዋም ሓጋይ፡ 13ነቲ ነውሪ ርእሶም ዘዕፍርዎ ብርቱዓት ማዕበል ባሕሪ፡ ብርግርግ ዝብሉ ኸዋኽብቲ እዮም፡ ነዚኣቶም ግብ ዝበለ ጸልማት ንዘለኣለም ተዓቝሩሎም ኣሎ።
    14-15ሄኖክ፡ እቲ ሳብዓይ ካብ ኣዳም፡ ነዚኣቶም፡ እንሆ፡ ጐይታ ንዅላቶም ክፈርዶም ኢሉ ምስ ኣእላፋት ቅዱሳቱ መጺኡ ኣሎ፡ ነቶም ፍርሃት እግዚኣብሄር ዘይብሎም ኵላቶም ድማ ብዛዕባ እቲ ዝገበርዎ ዅሉ እኩይ ግብርን ብዛዕባ እቲ ሓጥኣንን ገፋዕትን ብዛዕብኡ እተዛረብዎ ዘበለ ዅሉ ዘረባ ድርቅናን ክቐጽዖም እዩ፡ ኢሉ ተነበየሎም። 16እዚኣቶም መዕዘምዘምቲ፡ ንዕድሎም ዝነቕፉ፡ ከም ፍትወቶም ዝመላለሱ እዮም። ኣፎም ቃል ትዕቢት ይዛረብ፡ ምእንቲ ጥቕሚ ርእሶም ከኣ ንገጽ ሰብ ይንእዱ።
    17-18ንስኻትኩም ግና፡ ኣቱም ፍቁራተይ፡ ነቲ እቶም ሃዋርያት ጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ኣብቲ ዳሕራይ ዘመን ብእኩይ ፍትወቶም ዝመላለሱ፡ መላገጽቲ ኽትንስኡ እዮም፡ ኢሎም ቅድም ዝነገሩኹም ቃላት ዘክርዎ። 19እዚኣቶም ምፍልላይ ዘምጽኡ፡ መንፈስ ዘይብሎም ስጋውያን እዮም። 20ንስኻትኩም ግና፡ ኣቱም ፍቁራተይ፡ በታ ኻብ ኵሉ እተቐደሰት እምነትኩም ንርእስኹም እናሃነጽኩም፡ ብመንፈስ ቅዱስውን እናጸለኹም፡ 21ነቲ ናብ ህይወት ዘለኣለም ዘብጽሕ ምሕረት ጐይታና የሱስ ክርስቶስ እናተጸበኹምሲ፡ ንርእስኹም ብፍቕሪ ኣምላኽ ሓልውዋ። 22ንገሊኦም፡ ነቶም ዝጣራጠሩ፡ ኣረድእዋም። 23ንገሊኦም ካብ ሓዊ መንጢልኩም ኣናግፍዎም፡ ንገሊኦም ድማ፡ ነቲ ብስጋ ዝረኸሰ ኽዳን እኳ እናጸላእኩም፡ ብፍርሃት ደንግጹሎም።  
    24ነቲ ኻብ ውድቀት ዘበለ ክሕልወኩም፡ ብሓጐስውን ብዘይ ነውሪ ኣብ ቅድሚ ኽብሩ ከቝመኩም ዝከኣሎ፡ 25ነቲ ብየሱስ ክርስቶስ፡ ጐይታና፡ በይኑ መድሓኒና ዝዀነ ኣምላኽ ቅድሚ ዅሉ ዘመናትን ሕጅን ንዅሉ ዘለኣለም ክብሪ፡ ግርማ፡ ሓይሊ፡ ስልጣን ይኹኖ። ኣሜን።

Leave a Reply

መጽሓፍ ቅዱስ ትግርኛ
ብሉይን ሓድሽን ኪዳን
ብሉይ ኪዳን
ሓድሽ ኪዳን
መጽሓፍ ቅዱስ ትግርኛ
ብሉይን ሓድሽን ኪዳን

ብሉይ ኪዳን

ሓድሽ ኪዳን