ቀዳማይ መጽሓፍ ዜና መዋእል
1 2 3 4 5 6 7 8 9
10 11 12 13 14 15
16 17 18 19 20 21
22 23 24 25 26 27
28 29
1ይ ዜና ምዕራፍ 1
1ኣዳም፡ ሴት፡ ኤኖሽ። 2ቀይናን፡ ማሃላልኤል፡ ያሬድ። 3ሄኖክ፡ ማቱሳላ፡ ላሜክ። 4ኖህ፡ ሴም፡ ካም፡ ያፌትውን።
5ደቂ ያፌት፡ ጎሜርን ማጎግን ማዳይን ያዋንን ቱባልን መሴክን ቲራስን። 6ደቂ ጎሜር ከኣ፡ ኣሽክናዝን ዲፋትን ቶጋርማን። 7ደቂ ያዋን ድማ፡ ኤሊሻን ታርሲስን ኪቲምን ሮዳኒምን።
8ደቂ ካም፡ ኩሽን ሚስራዪምን ጱጥን ከነኣንን። 9ደቂ ኩሽ ከኣ፡ ሴባን ሓዊላን ሳብታን ራዕማን ሳብትካን። ደቂ ራዕማ ድማ፡ ሼባን ዴዳንን። 10ኩሽ ከኣ ንኒምሮድ ወለደ። ንሱ ኣብ ምድሪ ኽስልጥን ጀመረ። 11ሚስራዪም ከኣ ንሉዲምን ንዓናሚምን ንለሃቢምን ንናፍቱሒምን፡ 12ንጳትሩሲምን ነቲ ኻብኡ ፍልስጥኤማውያን ዝወጹ ካስሉሒምን ንካፍቶሪምን ወለደ። 13ከነኣን ድማ ንሲዶን በዂሪ ወዱን ንሔትን፡ 14ንይብሳውያንን ንኣሞራውያንን ንገርጌሳውያንን፡ 15ንሃዋውያንን ንዓርቃውያንን ንሲናውያንን፡ 16ንኣርዋዳውያንን ንጸማራውያንን ንሓማታውያንን ወለደ።
17ደቂ ሴም፡ ዔላምን ኣሶርን ኣርፋክሳድን ሉድን ኣራምን ኡጽን ሑልን ጌተርን ሜስክን። 18ኣርፋክሳድ ከኣ ንሻላሕ ወለደ፡ ሻላሕውን ንዔበር ወለደ። 19ንዔበር ድማ ክልተ ወዲ ተወልዱሉ፡ ስም እቲ ሓደ፡ ብዘመኑ ምድሪ ስለ እተመቕለት፡ ፋሌግ ተባህለ፡ ስም ሓው ኸኣ ዮቅጣን እዩ። 20ዮቅጣን ድማ ንኣልማዳድን ንሻሌፍን ንሓጻርማዌትን ንያሕን፡ 21ንሃዶራምን ንዑዛልን ንዲቅላን፡ 22ንዔላልን ንኣቢማኤልን ንሼባን፡ 23ንኦፊርን ንሓዊላን ንዮባብን ወለደ። እዚኣቶም ኲሎም ደቂ ዮቅጣን እዮም።
24ሴም፡ ኣርፋክሳድ፡ ሻላሕ፡ 25ዔበር፡ ፋሌግ፡ ራጉ፡ 26ሰሩግ፡ ናሆር፡ ታራ፡ 27ኣብራም፡ ንሱ ኣብርሃም እዩ። 28ደቂ ኣብርሃም፡ ይስሃቅን እስራኤልን።
29ወለዶኦም እዚ እዩ፡ በዂሪ እስማኤል ነባዮት፡ ደሓር ቄዳርን ኣድብኤልን ሚብሳምን፡ 30ሚሽማዕን ዱማን ማሳን ሓዳድን ቴማን፡ 31የጡርን ናፊሽን ቄድማን። እዚኣቶም ደቂ እስማኤል እዮም።
32ደቂ ቄጡራ፡ ሰበይቲ ወሰን ኣብራሃም ድማ፡ ንሳ ንዚምራንን ንዮቅሻንን ንመዳንን ንሚድያንን ንዪሽባቅን ንሿን ወለደት። ደቂ ዮቅሻን ከኣ፡ ሼባን ዴዳንን። 33ደቂ ምድያን ድማ፡ ዔፋን ዔፈርን ሓኖክን ኣቢዳዕን ኤልዳዓን። እዚኣቶም ኲሎም ደቂ ቄጡራ እዮም።
34ኣብርሃም ከኣ ንይስሃቅ ወለደ። ደቂ ይስሃቅ ድማ፡ ኤሳውን እስራኤልን።
35ደቂ ኤሳው፡ ኤሊፋዝን ረጉኤልን የኡሽን ያዕላምን ቆራሕን። 36ደቂ ኤሊፋዝ፡ ቴማንን ኦማርን ጸፊን ጋዕታማን ቄናዝን ቲምናዕን ኣማሌቅን። 37ደቂ ረጉኤል፡ ናሓት፡ ዜራሕ፡ ሻማ፡ ሚዛ ድማ።
38ደቂ ሴዒር ከኣ፡ ሎጣንን ሾባልን ጺብዖንን ዓናን ዲሾንን ኤጸርን ዲሻንን። 39ደቂ ሎጣን ድማ፡ ሖሪን ሆማምን፡ ሓብቲ ሎጣን ከኣ ቲምና እያ። 40ደቂ ሾብል፡ ዓልያንን ማናሓትን ዔባልን ሸፊን ዖናምን። ደቂ ጺብዖን ድማ፡ ኣያንዓናን። 41ደቂ ዓና፡ ዲሾን። ደቂ ዲሾን ከኣ፡ ሓምራንን ኤሽባንን ዪትራንን ከራንን እዮም። 42ደቂ ኤጸር፡ ቢልሓንን ዛዓዋንን ያዓቃንን። ደቂ ዲሻን፡ ዑጽን ኣራንን።
43እቶም ኣብ ደቂ እስራኤል ንጉስ ከይነገሰ፡ ኣብ ምድሪ ኤዶም ቅድሚ ዝነገሱ ነገስታት ከኣ እዚኣቶም እዮም፡ ቤላ ወዲ ቤዖር፡ ስም ከተምኡ ድማ ዲንሃባ ነበረ። 44ቤላ ኸኣ ሞተ፡ ኣብ ክንዳኡ ድማ ዮባብ ወዲ ዜራሕ ካብ ቦጽራ ነገሰ። 45ዮባብ ከኣ ሞተ፡ ኣብ ክንዳኡ ድማ ሑሻም ካብ ሃገር ቴማናውያን ነገሰ። 46ሑሻም ከኣ ሞተ፡ ኣብ ክንዳኡ ድማ ሃዳድ ወዲ በዳድ፡ እቲ ንሚድያን ኣብ መሮር ሞኣብ ዝሰዓረ ነገሰ፡ ስም ከተማኡ ኸኣ ዓዊት ነበረ። 47ሃዳድ ድማ ሞተ፡ ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ሳምላ ኻብ ማስሬቃ ነገሰ። 48ሳምላ ድማ ሞተ፡ ሻኡል ካብታ ኣብ ርባ ዘላ ሬሖቦት ከኣ ኣብ ክንዳኡ ነገሰ። 49ሻኡል ድማ ሞተ፡ ኣብ ክንዳኡ ኸኣ በዓል-ሓናን ወዲ ዓክቦር ነገሰ። 50በዓል-ሓናን ድማ ሞተ፡ ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ሃዳድ ነገሰ፡ ስም ከተማኡ ድማ ጳዒ ነበረ፡ ስም ሰበይቱውን ምሄጣብኤል፡ ጓል ማጥሬድ፡ ጓል ሜ-ዛሃብ እያ። 51ሃዳድ ምስ ሞተ ኸኣ፡ ኣብ ኤዶም ሹማምቲ ዀኑ፡ ሹም ቲምና፡ ሹም ዓልያ፡ ሹምየቴት፡ 52ሹም ኦሆሊባም፡ ሹም ቴማን፡ ሹምጲኖን፡ 53ሹም ቄናዝ፡ ሹም ቴማን፡ ሹም ሚብጻር፡ 54ሹም ማግዲኤል፡ ሹም ዒራም። እዚኣቶም ሹማምቲ ኤዶም እዮም።
1ይ ዜና ምዕራፍ 2
1ደቂ እስራኤል እዚኣቶም እዮም፡ ሮቤልን ስምኦንን ሌዊን ይሁዳን ይሳኮርን ዛብሎንን፡ 2ዳንን ዮሴፍን ብንያምን ንፍታሌምን ጋድን፡ ኣሴር ከኣ።
3ደቂ ይሁዳ፡ ዔርን ኦናንን ሼላን፡ ሰለስቲኦም ካብ እታ ከነኣናዊት ጓል ሹዓ እተወልዱሉ እዮም። ዔር እቲ በዂሪ ይሁዳ ግና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፋእ ነበረ፡ ቀተሎ ኸኣ። 4ታማር እታ ሰበይቲ ወዱ ድማ ንፋሬስን ዜራሕን ወለደትሉ። ደቂ ይሁዳ ዂሎም ሓሙሽተ እዮም።
5ደቂ ፋሬስ ሔጽሮንን ሓሙልን እዮም። 6ደቂ ዜራሕ ድማ ዚምሪን ኤታንን ሄማንን ካልኮልን ዳራዕን፡ ኲሎም ሓሙሽተ እዮም። 7ደቂ ካርሚ ኸኣ፡ ዓካር፡ እቲ ብሕሩም ነገር በዲሉ ንእስራኤል ዘጒሃዮ። 8ደቂ ኤታን ድማ፡ ዓዛርያ።
9እቶም ንሔጽሮን እተወልዱሉ ደቂ ኸኣ የራሕምኤልን ራምን ከሉባይን እዮም።
10ራም ድማ ንኣሚናዳብ ወለደ፡ ኣሚናዳብ ከኣ ንነኣሶን ሹም ደቂ ይሁዳ ወለደ። 11ነኣሶን ድማ ንሳልማ ወለደ፡ ሳልማ ኸኣ ንቦኣዝ ወለደ። 12ቦኣዝ ድማ ንዖቤድ ወለደ። ዖቤድ ከኣ ንእሴይ ወለደ። 13እሴይ ድማ ንበዂሪ ወዱ ኤልያብ፡ ካልኣይ ከኣ ንኣቢናዳብ፡ ሳልሳይ ድማ ንሺምዓ፡ 14ራብዓይ ናትናኤል፡ ሓምሳይ ራዳይ፡15ሳድሳይ ኦጼም፡ ሳብዓይ ዳዊት ወለደ። 16ኣሓቶም ከኣ ጽሩያን ኣቢጋይልን ነበራ። ደቂ ጽሩያ ድማ ኣቢሻይን ዮኣብን ዓሳሄልን ሰለስተ እዮም። 17ኣቢጋይል ከኣ ንዓማሳ ወለደት፡ ኣቦ ዓምሳ ድማ የተር እተባህለ እስማኤላዊ ነበረ።
18ካሌብ ወዲ ሔጽሮን ከኣ፡ ካብ ዓዙባ ሰበይቱ ካብ የሪዖትን ወለደ። ደቃ ድማ እዚኣቶም እዮም፡ የሽርን ሾባብን ኣርዶንን። 19ዓዙባ ምስ ሞተት ከኣ፡ ካሌብ ንኤፍራት ኣእተዋ እሞ ንሑር ወለደትሉ። 20ሑር ድማ ንኡሪ ወለደ፡ ኡሪ ኸኣ ንበጻልኤል ወለደ። 21ደሓር ድማ ሔጽሮን ናብ ጓል ማኪር ኣቦ ጊልዓድ ኣተወ። ንሱ ወዲ ስሳ ዓመት ምስ ኰነ፡ ኣእተዋ እሞ፡ ንሴጉብ ወለደትሉ። 22ሴጉብ ድማ ንያኢር ወለደ። ንእኡ ኣብ ምድሪ ጊልዓድ ዕስራን ሰለስተን ከትማ ነበራኦ። 23ጌሹርን ኣራምን ነተን ከተማታት ያኢር ምስ ቄናትን ቑሻታን ስሳ ኸተማ፡ ካባታቶም ወሰድወን። እዚኣቶም ኲሎም ደቂ ማኪር ኣቦ ጊልዓድ ነበሩ። 24ሔጽሮን ኣብ ካሌብ-ኤፍራታ ምስ ሞተ ድማ፡ ኣብያ ሰበይቲ ሔጽሮን ንኣሽሑር ኣቦ ተቆዓ ወለደትሉ።
25ደቂ የራሕምኤል፡ በዂሪ ወዱ ንሔጽሮን፡ ድማ እቲ በዂሩ ራም፡ ቡናን ኦሬንን ኣጾምን ኣሕያን እዮም። 26የራሕምኤል ዓጣራ ዝስማ ኻልእ ሰበይቲ ኸኣ ነበረቶ፡ ንሳ ኣደ ኦናም እያ። 27ደቂ ራም በዂሪ የራሕምኤል ከኣ ማዓጽን ያሚንን ዔቀርን እዮም። 28ደቂ ኦናምውን፡ ሻማይን ያዳዕን፡ ደቂ ሻማይ ድማ ናዳብን ኣቢሹርን እዮም። 29ስም ሰበይቲ ናዳብን ኣቢሹርን ከኣ ኣቢሓያል እዩ፡ ንሳ ድማ ንኣሕባንን ንሞሊድን ወለደትሉ። 30ደቂ ናዳብ ከኣ ሰለድን ኣጳይምን እዮም። ሰለድ ግና ውሉድ ዘብሉ ሞተ። 31ደቂ ኣጳይም ድማ፡ ዪሽዒ። ደቂ ዪሽዒውን፡ ሸሻን። ደቅ ሸሻን ከኣ፡ ኣሕላይ። 32ደቂ ያዳዕ፡ ሓው ሻማይ ድማ፡ የተርን ዮናታንን። የተር ከኣ ውሉድ ዘይብሉ ሞተ። 33ደቂ ዮናታን ድማ፡ ጰለትን ዛዛን። እዚኣቶም ደቂ የራሕምኤል እዮም። 34ሸሻን ግና ኣዋልድ እምበር፡ ኣወዳትሲ ኣይነበርዎን። ሸሻን ከኣ ያርሓዕ ዝስሙ ግብጻዊ ጊልያ ነበሮ። 35ሸሻን ድማ ንያርሓዕ ጊልያኡ፡ ሰበይቲ ኽትኰኖ ጓሉ ሃቦ። ንሳ ኸኣ ዓታይ ወለደትሉ። 36ዓታይ ድማ ንናታን ወለደ። ናታን ከኣ ንዛባድ ወለደ። 37ዛባድ ድማ ንኤፍላል ወለደ። ኤፍላል ከኣ ንዖቤድ ወለደ። 38ዖቤድ ድማ ንየሁ ወለደ። የሁ ኸኣ ንኣዛርያ ወለደ። 39ኣዛርያ ድማ ንሔለጽ ወለደ። ሔለጽ ከኣ ንኤልዓሳ ወለደ። 40ኤልዓሳ ድማ ንሲስማይ ወለደ። ሲስማይ ከኣ ንሻሉም ወለደ። 41ሻሉም ድማ ንየቃምያ ወለደ። የቃምያ ኸኣ ንኤልሻማ ወለደ።
42ደቂ ካሌብ ሓው የራሕምኤል ከኣ፡ በዂሪ ወዱ ሜሻ፡ ንሱ ኣቦ ዚፍ፡ ደቂ ማሬሻንውን ኣቦ ሔብሮን። 43ደቂ ሔብሮን ድማ፡ ቆራሕን ታጱኣሕን ሬቄምን ሸማዕን። 44ሸማዕ ከኣ ንራሓም ኣቦ ዮርቀዓም ወለደ። ሬቄም ድማ ንሻማይ ወለደ። 45ወዲ ሻማይ ከኣ ማዖን እዩ፡ ማዖን ድማ ኣቦ ቤት-ጹር እዩ።
46ዔፋ ሰበይቲ ወሰኑ ንካሌብ ድማ ሓራንን ሞጻን ጋዜዝን ወለደት። ሓራን ከኣ ንጋዜዝ ወለደ። 47ደቂ የህዳይ ድማ ረገምን ዮታምን ጌሻንን ፈለጥን ዔፋን ሻዓፍን እዮም። 48ማዓካ ሰበይቲ ወሰኑ ንካሌብ ድማ ንሸበርን ንቲርሓናን ወለደት። 49ንሸዓፍ ኣቦ ማድማናን ንሼባ ኣቦ ማክቤናን ኣቦ ጊብዓን ከኣ ወለደት። ጓል ካሌብ ድማ ዓክሳ እያ።
50ደቂ ካሌብ እዚኣቶም እዮም፡ ወዲ ሑር፡ በዂሪ ወዳ ንኤፍራታ፡ ሾባል ኣቦ ቂርያት-የዓሪም፡ 51ሳልማ ኣቦ ቤት-ልሄም፡ ሓሬፍ ኣቦ ቤት-ጋደር። 52ሾባል ኣቦ ቂርያት-የዓሪም ከኣ ደቂ ነበርዎ፡ ሃሮኤ ፈረቓ ሜኑሖት። 53ዓሌታት ቂርያት-የዓሪም ድማ፡ ይትራውያንን ጱታውያንን ሹማታውያንን ሚሽራዓውያንን እዮም። ካብ እዚኣቶም ጾርዓታውያንን ኤሽታኡላውያንን ወጹ። 54ደቂ ሳልማ፡ ቤት-ልሄምን ነጦፋታውያንን ዓጥሮት-ቤት-ዮኣብን ፈረቓ ማናሕታውያንን ጾርዓውያንን እዮም። 55እቶም ኣብ ያዕቤድ ዝቕመጡ ዝነበሩ ዓሌታት ጸሓፍቲ ድማ ቲርዓታውያን፡ ሺምዓታውያን፡ ሱካታውያን እዮም። እዚኣቶም እቶም ካብ ሓማት፡ ኣቦ ቤት ሬካብ ዝመጹ ቂናውያን እዮም።
1ይ ዜና ምዕራፍ 3
1እቶም ኣብ ሔብሮን እተወልዱሉ ደቂ ዳዊት እዚኣቶም እዮም፡ እቲ ኻብ ኣሒኖዓም ይዝርኤላዊት እተወልደ በዂሩ ኣምኖን፡ ካልኣይ ዳኒኤል ካብ ኣቢጋይል ቀርሜሎሳዊት፡ 2ሳልሳይ ኣቤሴሎም ወዲ ማዓካ፡ ጓል ታልማይ ንጉስ ገሹር፡ ራብዓይ ኣዶንያስ ወዲ ሓጊት፡ 3ሓምሳይ ሸፋጥያ ኻብ ኣቢጣል፡ ሳድሳይ ዪትረዓም ካብ ዔግላ ሰበይቱ። 4ሹድሽቲኦም ኣብ ሔብሮን ተወልዱሉ። ኣብኣ ኸኣ ሾብዓተ ዓመትን ሹድሽተ ወርሕን ነገሰ፡ ኣብ የሩሳሌም ድማ ሰላሳን ሰለስተን ዓመት ነገሰ።
5ኣብ የሩሳሌም ከኣ እዚኣቶም ተወልዱሉ፡ ሺምዓን ሾባብን ናታንን ሰሎሞንን፡ ኣርባዕቲኦም ካብ ባትሸዓ፡ ጓል ዓሚኤል። 6ድማ ዮብሓርን ኤሊሻማዕን ኤሊፈለጥን፡ 7ኖጋዕን ነፈግን ያፊዓን፡ 8ኤሊሻማዕን ኤልያዳዕን ኤሊፈለጥን፡ ትሽዓተ። 9እዚኣቶም ኲሎም፡ ብዘይ እቶም ደቂ ኣንስቲ ወሰን፡ ደቂ ዳዊት እዮም። ታማር ከኣ ሓብቶም እያ።
10ወዲ ሰሎሞን ከኣ ሮብዓም እዩ፡ ኣብያ ወዱ፡ ኣሳ ወዱ፡ ዮሳፋጥ ወዱ፡ 11ዮራም ወዱ፡ ኣሓዝያ ወዱ፡ ዮኣስ ወዱ፡ 12ኣማስያ ወዱ፡ ኣዛርያ ወዱ፡ ዮታም ወዱ፡ 13ኣሃዝ ወዱ፡ ህዝቅያስ ወዱ፡ ምናሴ ወዱ፡ 14ኣሞን ወዱ፡ ዮስያስ ወዱ፡ 15ደቂ ዮስያስ ድማ፡ እቲ በዂሪ ዮሓናን፡ ካልኣይ ዮያቂም፡ ሳልሳይ ጼዴቅያስ፡ ራብዓይ ሻሉም። 16ደቂ ዮያቂም ከኣ፡ የኮንያ ወዱ፡ ጼዴቅያስ ወዱ። 17ደቂ የኮንያ እቲ እሱር ድማ፡ ወዱ ሰኣልቲኤልን፡ 18ማልኪራምን ፈዳያን ሸናጸርን የቃምያን ሖሻማዕን ነዳብያን። 19ደቂ ፈዳያ ኸኣ፡ ዘሩባቤልን ሺምዒን። ደቂ ዘሩባቤል ድማ፡ መሸላምን ሓናንያ ሽሎሚት ሓብቶምን፡ 20ሓሹባን ኦሄልን በረክያን ሓሳድያን ዩሻብሔሰድን፡ ሓሙሽተ እዮም። 21ደቂ ሓናንያ ኸኣ፡ ጶላጥያን የሻዕያን፡ ደቂ ረፋያ፡ ደቂ ኣርናን፡ ደቂ ዖባድያ፡ ደቂ ሽካንያ። 22ደቂ ሽካንያ ድማ፡ ሸማዕያ። ደቂ ሸማዕያውን፡ ሓጡሽን ይግኣልን ባርያሕን ነዓርያን ሻፋጥን፡ ሹድሽተ። 23ደቂ ነዓርያ ኸኣ፡ ኤልዮዔናይን ሕዝቅያን ዓዝራቃምን፡ ሰለስተ። 24ደቂ ኤልዮዔናይ ድማ፡ ሆዳይዋን ኤልያሺብን ፈላያን ዓቁብን ዮሓናንን ደላያን ዓናኒን፡ ሾብዓተ።
1ይ ዜና ምዕራፍ 4
1ደቂ ይሁዳ፡ ፋሬስን ሔጽሮን ካርሚን ሑርን ሾባልን። 2ረኣያ ወዲ ሾባል ድማ ንያሓት ወለደ። ያሓት ከኣ ንኣሑማይን ንላሃድን ወለደ። እዚኣቶም ዓሌት ድማ ጾርዓትውያን እዮም። 3ደቂ ኣቦ ዔጣም ድማ እዚኣቶም እዮም። ይዝርኤልን ይሽማን፡ ስም ሓብቶም ከኣ ሃጽለልጶኒ እዩ፡ 4ፈኑኤል ኣቦ ገዶርን ዔዝር ኣቦ ሑሻን፡ እዚኣቶም ደቂ ሑር በዂሪ ኤፍራታ፡ ኣቦ ቤት-ልሄም፡ እዮም።
5ኣሽሑር ኣቦ ተቆዓ ድማ ክልተ ኣንስቲ ሔልኣን ናዓራን ዝብሃላ ነበራኦ። 6ናዓራ ኸኣ ንኣሑዛምን ንሔፈርን ንተምኒን ንኣሓሽታርን ወለደትሉ፡ እዚኣቶም ደቂ ናዓራ እዮም። 7ደቂ ሔልኣ ድማ፡ ጸረትን ይጽሓርን ኤትናንን። 8ቆጽ ከኣ ንዓኑብን ንሃጾቤባን ንዓሌታት ኣሓርሔል ወዲ ሃሩምን ወለደ።
9ያዕቤጽ ድማ ካብ ኣሕዋቱ ዝኸብር ነበረ። ኣዲኡ ኸኣ፡ ብጻዕሪ ወሊደዮ፡ ኢላ እያ እሞ፡ ስሙ ያዕቤጽ ኣውጽኣትሉ። 10ያዕቤጽ ድማ ንኣምላኽ እስራኤል፡ ብርግጽ እንተ ትባርኸኒ፡ ዶባተይ ከኣ እንተ ተግፍሓለይ፡ ኢድካውን ምሳይ እንተ ትኸውን፡ ከይጭነቕ ድማ ካብ ክፋእ ከም ዝድሕን እንተ ትገብረኒ፡ ኢሉ ለመኖ። ኣምላኽ ከኣ እቲ ዝለመኖ ገበረሉ።
11ኬሉብ ሓው ሹሓ ድማ ንምሒር ወለደ፡ ንሱ ኣቦ ኤሽቶን እዩ። 12ኤሽቶን ከኣ ንቤትራፋን ንጳሴዓን ንትሒና ኣቦ ዔርናሓስን ወለደ፡ እዚኣቶም ሰብ ሬካ እዮም።
13ደቂ ቄናዝ ድማ፡ ዖትኒኤልን ሰራያን። ደቂ ዖትኒኤል ከኣ፡ ሓታት። 14መዖኖታይ ድማ ንዖፍራ ወለደ። ሰራያ ኸኣ ነቦ እቶም ኣብ ለሰ ጸራቦ ዝነበሩ ንዮኣብ ወለደ፡ ንሳቶም ጸራቦ እዮም ዝነበሩ። 15ደቂ ካሌብ ወዲ የፋኔ ድማ፡ ዒሩን ኤላን ናዓምን። ደቂ ኤላን ቄናዝን። 16ደቂ የሃለልኤል ከኣ፡ ዚፍን ዚፋን ቲርያን ኣሳርኤልን።
17ደቂ እዝራ ድማ፡ የተርን መረድን ዔፈርን ያሎንን እዮም። ንሳ ኸኣ ንሚርያምን ንሻማይን ንይሽባሕ ኣቦ ኤሽትሞዓን ወለደት። 18እታ ኣይሁዳዊት ሰበይቱ ድማ ንየሬድ ኣቦ ገዶርን ንሔበር ኣቦ ሶኮን ንየቁቲኤል ኣቦ ሻኖዓን ወለደት። እዚኣቶም ከኣ ደቂ እታ መረድ ዘእተዋ ቢትያ ጓል ፈርኦን እዮም።
19ደቂ ሰበይቲ ሆድያ ሓብቲ ነሓም ከኣ ኣቦ ቅዒላ ጋርማውን ኤሽተሞዓ መዓካታውን እዮም።
20ደቂ ሺሞን ድማ፡ ኣምኖንን ሪናን ቤንሓናንን ቲሎንን። ደቂ ዪሽዒ ኸኣ፡ ዞሔትን ቤን-ዞሔትን።
21ደቂ ሼላ ወዲ ይሁዳ፡ ዔር ኣቦ ሌካን ላዕዳ ኣቦ ማሬሻን ዓሌታት ቤት ዓየይቲ ልሕጺ እንጣጢዕ ካብ ቤት ኣዓቤዓን፡ 22ዮቂምን ሰብ ኮዜባን፡ እቶም ኣብ ሞኣብ ዝግዝኡ ዝነበሩ ዮኣሽን ሳራፍን፡ ያሹቢለሔም ከኣ። እዚ ግና ናይ ቀደም ዛንታ እዩ። 23እዚኣቶም ኣብ ነታዪምን ግደራን ዝነብሩ ሰራሕቲ መሬት ነበሩ፡ ምስ ንጉስ ኣብ ዕዮኡ ኣብኡ ይቕመጡ ነበሩ።
24ደቂ ስምኦን፡ ነሙኤል፡ ያሚን ከኣ፡ ያሪብ፡ ዜራሕ፡ ሻኡል፡ 25ሻሉም ወዲ፡ ሚብሳም ወዱ፡ ሚሽማዕ ወዱ። 26ደቂ ሚሽማዕውን፡ ሓሙኤል ወዱ፡ ዛኩር ወዱ፡ ሺምዓ ወዱ። 27ሺምዒ ድማ ዓሰርተው ሹድሽተ ኣወዳትን ሹድሽተ ኣዋልድን ነበርዎ። ነቶም ኣሕዋቱ ግና ብዙሕ ውሉድ ኣይነበርዎምን፡ ብዘሎ ዓሌቶም ከኣ ክንዲ ደቂ ይሁዳ ኣይሰሰነን። 28ንሳቶም ኣብ ብኤር-ሸባዕን ሞላዳን ሓጻር-ሹዕልን፡ 29ኣብ ቢልሃን ኣብ ዔጸምን ኣብ ቶላድን፡ 30ኣብ ቤቱኤልን ኣብ ሖርማን ኣብ ጺቅላ ግን፡ 31ኣብ ቤት-ማርካቦትን ኣብ ሓጸር-ሱሲምን ኣብ ቤት-ብርኢን ኣብ ሸዓራይን ይቕመጡ ነበሩ። ዳዊት ክስዕ ዝነግስ ከተማታቶም እዚኣተን ነበራ። 32ዓድታቶም ድማ ዔጣምን ዓዪንን ሪሞንን ቶኬንን ዓሻንን፡ ሓሙሽተ ኸተማ፡ 33እተን ኣብ ዙርያ እዘን ከተማታት እዚአን ክሳዕ በዓል ዘለዋ ዂለን ዓድታቶም እየን። ዝነብርወን ዝነበሩ እዚኣተን እየን። መጽሓፍ ወለዶኦም ከኣ ነበሮም።
34መሾባብን ያምሌክን ዮሻ ወዲ ኣማስያን፡ 35ዮኤልን የሁ ወዲ ዮሺብያ፡ ወዲ ሰራያ፡ ወዲ ዓሲኤልን
36ኤልዮዔናይን ያዓቆባን ይሾሓያን ዓሳያን ዓዲኤልን የሲሚኤልን ብናያን፡ 37ዚዛ ወዲ ሺፍዒ፡ ወዲ ኣሎን፡ ወዲ የዳያ፡ ወዲ ሺምሪኢ፡ ወዲ ሸማዕያ። 38እዞም ብስሞም እተረቑሑ ኣብ ዓዓሌቶም ሹማምቲ ነበሩ። ማይ ቤት ኣቦታቶም ድማ በዚሖም ተዘርግሑ። 39ንመጓሴኦም መጓሰዪ ምእንቲ ኽረኽቡ፡ በቲ ንጌዶር ዘእቱ ኣቢሎም፡ ክሳዕ ምብራቕ እቲ ለሰ ኸዱ። 40መጓሰዪ ኸኣ ልምልምትን ጽብቕትን ሸኻ ረኸቡ። እቶም ቀደም ኣብኣ ዝቕመጢ ዝነበሩ ኻብ ካም ነበሩ እሞ፡ ህድኣትን ሰላምን ዘለዋ ገፋሕ ሃገር ነበረት። 41እዞም በብስሞም እተጻሕፉ ኸኣ ብዘመን ህዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ መጺኦም ናብ ድንኳውንቶም ሓደጋ ወደቕዎም። ኣብኡ ንተረኽቡ መዓናውያን ድማ ክሳዕ ሎሚ ኣጽነትዎም። ኣብኣ ንመጓሴኦም ዝኸውን መጓሰዪ ነበረ እሞ፡ ኣብ ክንዳኦም ተቐመጥዋ።
42ገለ ኻባታቶም ድማ፡ ካብ ደቂ ስምኦን ሓሙሽተ ሚእቲ ሰባት ናብ ከረን ሰዔር ከዱ፡ ሓላቑኦም ከኣ ደቂ ዪሽዒ ፈላጥያን ነዓርያን ረፋያን ዑዚኤልን እዮም። 43ነቶም ካብ ኣማሌቃውያን ዘምለጡ ትርፎፍያ ቐቲሎም ድማ ክሳዕ ሎሚ ኣብኣ ተቐሚጦም ኣለው።
1ይ ዜና ምዕራፍ 5
1ደቂ ሮቤል በዂሪ እስራኤል ድማ፡ እቲ በዂሪ ንሱ ነበረ፡ መንጸፍ ኣቦኡ ስለ ዘርከሰ ግና፡ እታ ብዂርናኡ ንደቂ ዮሴፍ ወዲ እስራኤል ተዋህበት፡ ግናኸ ኣብ መጽሓፍ ወለዶስ ከም በዂሪ ኣይተጻሕፈን። 2ይሁዳ ደኣ ኣብ ማእከል ኣሕዋቱ ሰልጠነ፡ እቲ መስፍን ከኣ ካብኡ መጸ፡ ብዂርና ግና ናይ ዮሴፍ ነበረ። 3ደቂ ሮቤል በዂሪ እስራኤል፡ ሓኖክን ፋሉን ሔጽሮንን ካርሚን። 4ደቂ ዮኤል፡ ሸማዕያ ወዱ፡ ጎግ ወዱ፡ ሺማዒ ወዳ 5ሚካ ወዱ፡ ረኣያ ወዱ፡ ባዓል ወዱ፡ 6ብኤራ ወዱ፡ እቲ ቲልጋት-ጲልንኤሰር ንጉስ ኣሶራውያን ዝማረኾ፡ ንሱ ሹም ሮቤላውያን ነበረ። 7ኣሕዋቱ ድማ በብዓሌታቶም ወለዶታቶም ምስ ተጻሕፈ፡ የዒኤል እቲ ሓለቓን ዘካርያስን፡ 8ድማ ቤላዕ ወዲ ዓዛዝ፡ ወዲ ሸማዕ፡ ወዲ ዮኤል፡ ንሱ ኣብ ዓሮዔር ክሳዕ ኔቦን በዓልመዖንን ተቐመጠ። 9መጓሴታቶም ኣብ ሃገር ጊልዓድ በዚሐን ነበራ እሞ፡ ብወገን ምብራቕ ድማ ካብ ርባ ኤፍራጥስ ክሳዕ እቲ ንበረኻ ዘእቱ ይቕመጥ ነበረ። 10ብዘመን ሳኦል ምስ ሃግራውያን ተዋግኡ ኣብ ኢዶም ድማ ወደቑ፡ ኣብ ብዘሎ ምብራቕ ጊልዓድ ከኣ ኣብ ድንኳውንቶም ተቐመጡ።
11ደቂ ጋድ ድማ ኣብ መንጽሮም ኣብ ምድሪ ባሳን ክሳዕ ሳልኮ ተቐመጡ፡ 12ዮኤል ሓለቓ፡ ሻፋም ከኣ ካልኣይ፡ ያዕናያን ሻፋጥን ድማ ኣብ ባሳን። 13ኣሕዋቶም ከኣ በብማይ ቤት ኣቦታቶም፡ ሚካኤልን መሹላምን ሸባዕን ዮራይን ያዕካንን ዚዓን ዔበርን፡ ሾብዓተ እዮም። 14እዚኣቶም ደቂ ኣቢሓይል፡ ወዲ ሑሪ፡ ወዲ ያሮዓሕ፡ ወዲ ጊልዓድ፡ ወዲ ሚካኤል፡ ወዲ የሺሻይ፡ ወዲ ያሕዶ፡ ወዲ ያሕዶ፡ ወዲ ቡዝ እዮም። 15ኣሒ ወዲ ዓብዲኤል፡ ወዲ ጉኒ፡ ዋና ማይ ቤት ኣቦታቶም ነበረ። 16ንሳቶም ኣብ ጊልዓድን ኣብ ባሳንን ኣብ ኣቑሻታን ኣብ ኲሉ መጓሰዪታት ሳሮን ክሳዕ ወሳሰና ይቕመጡ ነበሩ። 17ኲላቶም ብዘመን ዮታም ንጉስ ይሁዳን ብዘመን የሮብዓም ንጉስ እስራኤልን ኣብ መጽሓፍ ወለዶ ተጽሒፎም።
18ደቂ ሮቤል ጋዳውያንን ፈረቓ ነገድ ምናሴን ጀጋኑ፡ ዋልታን ሴፍን ዘልዕሉ፡ ቀስቲ ኸኣ ዝግትሩ ምሁራት ውግእ፡ ኣብ ውግእ ዝወጹ ሰባት ኣርብዓን ኣርባዕተን ሽሕን ሾብዓተ ሚእትን ስሳን ነበሩ። 19ንሳቶም ድማ ምስ ሃግራውያን ምስ የጡርን ናፊሽን ኖዳብን ተዋግኡ። 20ረድኤት ከኣ ረኸቡ፡ ሃግራውያንን እቶም ምሳታቶም ዝነበሩ ዂሎምን ከኣ ኣብ ኣእዳዎም ተዋህቡ። በታ ግዜ ውግእ ናብ ኣምላኽ ተማህለሉ እሞ፡ ብእኡ ስለ ዝኣመኑ ኸኣ ሰምዖም። 21መጓሴታቶም ድማ ዘመቱ፡ ሓምሳ ሽሕ ገመልን ክልተ ሚእትን ሓምሳን ሽሕ በጊዕን ክልተ ሽሕ ኣድግን ሚእቲ ሽሕ ነፍሲ ሰብን ወሰዱ። 22እቲ ውግእ ካብ ኣምላኽ ነበረ እሞ፡ ብዙሓት ተወጊኦም ወደቑ። ድሕርዚ ኸኣ እዚኣቶም፡ ክሳዕ ዘመን ምርኮ ኣብ ሰፈሮም ተቐመጡ።
23ፈረቓ ነገድ ደቂ ምናሴ ድማ ኣብታ ሃገር እቲኣ ይቕመጡ ነበሩ፡ ካብ ባሳን ክሳዕ በዓል-ሔርሞንን ሰኒርን ከረን ሔርሞንን በዝሑ። 24ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታቶም ድማ፡ እዚኣቶም እዮም፡ ዔፈርን ይሽዒን ኤሊኤልን ዓዝሪኤልን የርሚያን ሆዳውያን ያሕዲኤልን፡ ሓያላት ጀጋኑ ሰባት፡ ስሙያት ሰባት፡ ነናይ ማይ ቤት ኣቦታቶም ዋናታት ነበሩ።
25ንኣምላኽ ኣቦታቶም ዓልዮም ከኣ ደድሕሪ ኣማልኽቲ እቶም ኣምላኽ ካብ ቅድሚኦም ዘጥፍኦም ህዝብታት እታ ሃገር መንዘሩ። 26ኣምላኽ እስራኤል ድማ መንፈስ ጱል ንጉስ ኣሶርን መንፈስ ቲልጋት-ጲልነሰር ንጉስ ኣሶርን ኣተንሲኡ፡ ነቶም ህዝቢ፡ ንሮቤላውያንን ንጋዳውያንን ንፈረቓ ነገድ ምናሴን ማሪኹ፡ ክሳዕ ሎሚ ናብ ሓላሕን ናብ ሓባርን ናብ ሃራእን ናብ ርባ ጎዛንን ኣእተዎም።
1ይ ዜና ምዕራፍ 6
1ደቂ ሌዊ፡ ጌርሾምን ቀሃትን መራሪን። 2ደቂ ቀሃት ድማ፡ ኣምራምን ይጽሃርን ሔብሮንን ዑዚኤልን። 3ደቂ ኣምራም ከኣ፡ ኣሮንን ሙሴን ሚርያምን። ደቂ ኣሮን ድማ፡ ናዳብን ኣቢሁን ኣልኣዛርን ኢታማርን። 4ኣልኣዛር ንፊንሃስ ወለደ። ፊንሃስ ንኣቢሹዓ ወለደ። 5ኣቢሹዓ ኸኣ ንቡቂ ወለደ። ቡቂ ድማ ንዑዚ ወለደ። 6ዑዚ ኸኣ ንዜራሕያ ወለደ። ዜራሕያ ድማ ንመራዮት ወለደ። 7መራዮት ንኣማርያ ወለደ። ኣማርያ ኸኣ ንኣሒጡብ ወለደ። 8ኣሒጡብ ድማ ንጻዶቅ ወለደ። ጻዶቅ ከኣ ንኣሒማዓጽ ወለደ። 9ኣሒማዓጽ ድማ ንኣዛርያ ወለደ። ኣዛርያ ኸኣ ንዮሓናን ወለደ። 10ዮሓናን ድማ ንኣዛርያ ወለደ፡ ንሱ ኣብታ ሰሎሞን ኣብ የሩሳሌም ዝሰርሓ ቤትስ ካህን ዝነበረ እዩ። 11ኣዛርያ ኸኣ ንኣማርያ ወለደ። ኣማርያ ድማ ንኣሒጡብ ወለደ። 12ኣሒጡብ ከኣ ንጻዶቅ ወለደ። ጻዶቅ ድማ ንሻሉም ወለደ። 13ሻሉም ከኣ ንሒልቂያ ወለደ። ሒልቂያ ድማ ንኣዛርያ ወለደ። 14ኣዛርያ ኸኣ ንሰራያ ወለደ። ሰራያ ድማ ንይሆጻዳቅ ወለደ። 15ይሆጻዳቅ ከኣ፡ በቲ እግዚኣብሄር ንይሁዳን ንየሩሳሌምን ብኢድ ነቡካድነጸር ክማርኽን ከሎ፡ ተማሪኹ ኸደ።
16ደቂ ሌዊ፡ ጌርሾምን ቀሃትን መራሪን። 17ስም ደቂ ገርሾም ድማ እዚ እዮ፡ ሊብኒን ሽምዒን። 18ደቂ ቀሃት ከኣ፡ ኣምራምን ይጽሃርን ሔብሮንን ዑዚኤልን። 19ደቂ መራሪ፡ መሕሊን ሙሺን። ዓሌታት ሌዋውያን ድማ በብማይ ቤት ኣቦታቶም እዚኣቶም እዮም፡ 20ካብ ጌርሾም፡ ሊብኒ ወዱ፡ ያሓት ወዱ፡ ዚማ ወዱ፡ 21ዮኣሕ ወዱ፡ ዒዶ ወዱ፡ ዜራሕ ወዱ፡ ይኣትራይ ወዱ። 22ደቂ ቀሃት፡ ኣሚናዳብ ወዱ፡ ቆራሕ ወዱ፡ ኣሲር ወዱ፡ 23ኤልቃና ወዱ፡ ኤብያሳፍ ድማ ወዱ፡ ኣሲርውን ወዱ፡ 24ታሓት ወዱ፡ ኡርኤል ወዱ፡ ዑዝያ ወዱ፡ ሻኡል ወዱ። 25ደቂ ኤልቃና ኸኣ፡ ዓማሳይን ኣሒሞትን። 26ኤልቃና፡ ደቂ ኤልቃና፡ ጾፋይ ወዱ፡ ናሓት ወዱ፡ 27ኤልያብ ወዱ፡ ይሮሓም ወዱ፡ ኤልቃና ወዱ። 28ደቂ ሳሙኤል ድማ፡ እቲ በኸሪ ዋሽኒ፡ ኣብያ ኸኣ። 29ደቂ መራሪ፡ ማሕሊ፡ ሊብኒ ወዱ፡ ሺምዒ ወዱ፡ ዑዛ ወዱ፡ 30ሺምዓ ወዱ፡ ሓጊያ ወዱ፡ ዓስያ ወዱ።
31እቲ ታቦት ምስ ዓረፈ፡ ዳዊት ኣብ ቤት እግዚኣብሄር መራሕቲ መዝሙር ክዀኑ ዘቘሞም ድማ እዚኣቶም እዮም። 32ንሳቶም፡ ሰሎሞን ኣብ የሩሳሌም ቤት እግዚኣብሄር ክሳዕ ዝሰርሕ፡ ኣብ ቅድሚ ማሕደር ድንኳን ምርኻብ ኰይኖም፡ ብመዝሙር የገልግሉ ነበሩ። ከምቲ እተሰርዓሎም ድማ፡ ኣብ ኣኣገልግሎቶም ይቘሙ ነበሩ። 33እቶም ምስ ደቆም ኰይኖም ዝቘሙ ዝነበሩ እዚኣቶም እዮም፡ ካብ ደቂ ቀሃታውያን፡ ሄማን ዘማሪ፡ ወዲ ዮኤል፡ ወዲ ሳሙኤል፡ 34ወዲ ኤልቃና፡ ወዲ ይሮሓም፡ ወዲ ኤሊኤል፡ ወዲ ቶዓሕ፡ 35ወዲ ጹፍ፡ ወዲ ኤልቃና፡ ወዲ ማሓት፡ ወዲ ዓማሳይ። 36ወዲ ኤልቃና፡ ወዲ ዮኤል፡ ወዲ ኣዛርያ፡ ወዲ ጾፋንያ። 37ወዲ ጣሓት። ወዲ ኣሲር፡ ወዲ ኤብያሳፍ፡ ወዲ ቆራሕ፡ 38ወዲ ይጽሃር፡ ወዲ ቀሃት፡ ወዲ ሌዊ፡ ወዲ እስራኤል።
39ብየማኑ ዝቘመ ኸኣ ሓው ኣሳፍ እዩ፡ ኣሳፍ ወዲ በረክያ፡ ወዲ ሺምዓ፡ 40ወዲ ሚካኤል፡ ወዲ ባዓሴይ፡ ወዲ ማልክያ፡ 41ወዲ ኤትኒ፡ ወዲ ዜራሕ፡ ወዲ ዓዳያ፡ 42ወዲ ኤታን፡ ወዲ ዘማ፡ ወዲ ሺምዒ፡ 43ወዲ ያሓት፡ ወዲ ጌርሻም፡ ወዲ ሌዊ።
44ብጸጋም ድማ ኣሕዋቶም ደቂ መራሪ። ኤታን ወዲ ቂሽ፡ ወዲ ዓብዲ፡ ወዲ ማሉክ፡ 45ወዲ ሓሻብያ፡ ወዲ ኣማጽያ፡ ወዲ ሒልቂያ፡ 46ወዲ ኣምጺ፡ ወዲ ባኒ፡ ወዲ ሻመር፡ 47ወዲ ማሓሊ፡ ወዲ ሙሺ፡ ወዲ መራሪ፡ ወዲ ሌዊ።
48እቶም ኣሕዋቶም ሌዋውያን ድማ ንዂሉ ኣገልግሎት ቤት ኣምላኽ ተዋህቡ።
49ኣሮንን ደቁን ግና ንዂሉ ኣገልግሎት ቅድስተ ቅዱሳንን ንምትዕራቕ እስራኤልን፡ ከምቲ ሙሴ ባርያ ኣምላኽ ዝኣዘዞ ዂሉ ገይሮም ኣብቲ መሰውኢ ምሕራርን ኣብ መሰውኢ ዕጣንን ይዓጥኑ ነበሩ።
50ደቂ ኣሮን ከኣ እዚኣቶም እዮም፡ ኣልኣዛር ወዱ፡ ፊንሃስ ወዱ፡ ኣቢሹዓ ወዱ፡ 51በቂ ወዱ፡ ዑዚ ወዱ፡ ዘራሕያ ወዱ፡ 52መራዮት ወዱ፡ ኣማርያ ወዱ፡ ኣሒጡብ ወዱ፡ 53ጻዶቅ ወዱ፡ ኣሒማዓጽ ወዱ።
54እቲ መቐመጢታቶም ከኣ በብሰፈሮም ኣብ ደዶባቶም እዚ እዩ፡ ንደቂ ኣሮን ካብ ዓሌታት ቀሃታውያን፡ ቀዳማይ ዕጭ ንኣታቶም በጺሑ እዩ እሞ፡ 55ሔብሮን ናይ ሃገር ይሁዳን ኣብ ዙርያኣ ዘለዋ ኣቑሻታን ሃብዎም፡ 56ናይ እታ ኸተማ ግራሁን ዓድታተንን ግና ንካሌብ ወዲ የፋኔ ሃብዎ። 57ንደቂ ኣሮን ድማ እተን ከተማታት መዕቈቢ ሃብዎም፡ ሔብሮን፡ ሊብና ኸኣ ምስ ኣቑሻታ፡ ያጢርን ኤሽተማዓ ምስ ኣቑሻታን፡ 58ሔለን ምስ ኣቑሻታ፡ ደቢር ምስ ኣቑሻታ፡ 59ዓሻን ድማ ምስ ኣቑሻታ፡ ቤት-ሸመሽ ከኣ ምስ ኣቑሻታ ሃብዎም። 60ካብ ነገድ ብንያምውን፡ ጌባዕ ምስ ኣቑሻታን ዓለመት ምስ ኣቑሻታን ዓናቶት ምስ ኣቑሻታን። ኲለን ከተማታቶም ከም ዓሌታቶም ዓሰርተው ሰለስተ ኸተማታት ነበራ።
61ነቶም ዝተረፋ ደቂ ቀሃት ድማ፡ ካብ ዓሌት እቲ ነገድ፡ ካብ ፈረቓ እቲ ነገድ፡ ፈረቓ ምናሴ፡ ብዕጭ ዓሰርተ ኸተማ ሃብዎም። 62ንደቂ ጌርሾም ከኣ ከከም ዓሌታቶም ካብ ነገድ ይሳኮርን ካብ ነገድ ኣሴርን ካብ ነገድ ንፍታሌምን ካብ ነገድ ምናሴ ኣብ ባሳን ዘለዋን ዓሰርተው ሰለስተ ኸተማ ሃብዎም። 63ንደቂ መራሪ ኸከም ዓሌቶም ካብ ነገድ ሮቤልን ካብ ነገድ ጋድን ካብ ነገድ ዛብሎንን ብዕጭ ዓሰርተው ክልተ ኸተማ ሃብዎም።
64እቶም ደቂ እስራኤል ከኣ እተን ከተማታት ምስ ኣቑሻተን ንሌዋውያን ሃብዎም። 65ድማ ካብ ነገድ ደቂ ይሁዳን ካብ ነገድ ደቂ ስምኦንን ካብ ነገድ ደቂ ብንያምን እዘን ስም ዘውጽኡለን ከተማታት ብዕጭ ሃብዎም። 66ንገሊኦም ካብ ዓሌታት ደቂ ቀሃት ከኣ ካብ ነገድ ኤፍሬም ናብ ምድሮም ከተማታት ነበራኦም። 67ነተን ከተማታት መዕቈቢ ድማ ሃብዎም፡ ኣብ ከረን ኤፍሬም ሰኬም ምስ ኣቑሻታ፡ ገዘር ከኣ ምስ ኣቑሻታ፡ 68ዮቅመዓም ምስ ኣቑሻታን ቤትሖሮን ምስ ኣቑሻታን፡ 69ኣያሎን ምስ ኣቑሻታን ጋት-ሪሞን ምስ ኣቑሻታን፡ 70ካብ ፈረቓ ነገድ ምናሴ ድማ ነቶም ዝተረፉ ኻብ ዓሌት ደቂ ቀሃት፡ ዓኔር ምስ ኣቑሻታን ቢልዓም ምስ ኣቑሻታን።
71ንደቂ ጌርሾም ካብ ዓሌት ፈረቓ ነገድ ምናሴ፡ ጎላን ኣብ ባሳን ዘላ ምስ ኣቑሻታን፡ 72ካብ ነገድ ይሳኮርውን፡ ቃዴስ ምስ ኣቑሻታ፡ ደብራት ምስ ኣቑሻታ፡ 73ራሞት ምስ ኣቑሻታን ዓኔም ምስ ኣቑሻታን፡ 74ካብ ነገድ ኣሴር ድማ ማሻል ምስ ኣቑሻታን ዓብዶን ምስ ኣቑሻታን፡ 75ሑቆቅ ምስ ኣቑሻታን ሬሖብ ምስ ኣቑሻታን፡ 76ካብ ነገድ ንፋታሌም ከኣ፡ ቃዴስ ኣብ ገሊላ ዘላ ምስ ኣቑሻታን ሓሞን ምስ ኣቑሻታን ቂርያታይም ምስ ኣቑሻታን ሃብዎም።
77ነቶም ዝተረፉ፡ ንደቂ መራሪ፡ ካብ ነገድ ዛብሎን፡ ሪሞን ምስ ኣቑሻታን፡ ታቦር ምስ ኣቑሻታ ሃብዎም። 78ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ኣብ መንጽር ያሪኮ፡ ብምብራቕ ዮርዳኖስ ከኣ፡ ካብ ነገድ ሮቤል እታ ኣብ በረኻ ዘላ በጸር ምስ ኣቑሻታን ያሕጻ ምስ ኣቑሻታን፡ 79ቀዴሞት ምስ ኣቑሻታን ያሕጺ ምስ ኣቑሻታን ሜፋዓትን ምስ ኣቑሻታን፡ 80ካብ ነገድ ጋድ ድማ ራሞት ናይ ጊልዓድ ምስ ኣቑሻታን መሓናይም ምስ ኣቑሻታን፡ 81ሔስቦን ምስ ኣቑሻታን ያዕዜር ምስ ኣቑሻታን ሃብዎም።
1ይ ዜና ምዕራፍ 7
1ደቂ ይሳኮር ድማ ቶላዕን ፋኣን ያሹብን ሺምሮንን፡ ኣርባዕተ እዮም። 2ደቂ ቶላዕ ከኣ፡ ዑዚን ረፋያን የሪኤልን ያሕማይን ይብሳምን ሸሙኤልን፡ ናይ ቶላ፡ ነናይ ማይ ቤት ኣቦታቶም ዋናታት፡ በብወለዶኦም ሓያላት ጀጋኑ፡ ቁጽሮም ብዘመን ዳዊት ዕስራን ክልተን ሽሕን ሹድሽተ ሚእትን ነበረ። 3ደቂ ዑዚ ድማ ይዝራሕያ፡ ደቂ ይዝራሕያ ኸኣ ሚካኤልን ዖባድያን ዮኤልን ይሺያን፡ ሓሙሽተ እዮም፡ ኲላቶም ድማ ሓላቑ ነበሩ። 4ምስ እዚኣቶም ድማ በብወለዶኦም በብማይ ቤት ኣቦታቶም ጭፍራታት ናይ ውግእ ሰራዊት ሰላሳን ሹድሽተን ሽሕ ሰብ ነበሩ፡ እምበኣርሲ ኣንስትን ቈላዑን ብዙሓት ነበርዎም። 5ኣሕዋቶም ድማ ኣብ ኲሎም ዓሌታት ይሳኮር ሓያላት ጀጋኑ፡ ኲላቶም ኣብ መጽሓፍ ወለዶ እተቘጽሩ ሰማንያን ሾብዓተን ሽሕ ነበሩ።
6ደቂ ብንያም፡ ቤላዕን በከርን የዲዓኤልን፡ ሰለስተ እዮም። 7ደቂ ቤላዕ ከኣ፡ ኤጽቦንን ዑዚን ዑዚኤልን ይሪሞትን ዒሪን፡ ሓሙሽተ፡ ኣብ መማይ ቤት ኣቦታቶም ዋናታት፡ ሓያላት ጀጋኑ፡ ኣብ መጽሓፍ ወለዶ እተቘጽሩ ዕስራን ክልተን ሽሕን ሰላሳን ኣርባዕተን ነበሩ። 8ደቂ በከር ከኣ፡ ዘሚራን ዮዓሽን ኤልዔዝርን ኤልዮዔናይን ዖምሪን ይሬሞትን ኣቢያን ዓናቶትን ዓለመትን። እዚኣቶም ኲሎም ደቂ በከር እዮም። 9ዋናታት መማይ ቤት ኣቦታቶም ኰይኖም በብወለዶኦም ኣብ መጽሓፍ ወለዶ ተቘጽሩ፡ ሓያላት ጀጋኑ ድማ ዕስራ ሽሕን ክልተ ሚእትን ነበሩ። 10ደቂ የዲዓኤል ከኣ፡ ቢልሃን። ደቂ ቢልሃን ድማ፡ የዑሽን ብንያምን ኤሁድን ከነዓናን ዜታንን ታርሺሽን ኣሒሻሓርን። 11እዚኣቶም ኲሎም ደቂ የዲዓኤል ኣብ መማይ ቤት ኣቦታቶም ዋናታት፡ ሓያላት ጀጋኑ፡ ምስቲ ስራዊት ንውግእ ዝወጹ ዓሰርተው ሾብዓተ ሽሕን ክልተ ሚእትን ነበሩ።
12ሹጲምን ሑጵምን ድማ ደቂ ዒር፡ ሑሽም ከኣ ደቂ ኣሔር እዮም።
13ደቂ ንፍታሌም፡ ያሕጺኤልን ጉኒን የጸርን ሻሉምን፡ ደቂ ቢልሃ።
14ደቂ ምናሴ ኣስሪኤል እዩ፡ እታ ሶርያዊት ሰበይቲ ወሰኑ ንማኪር ኣቦ ጊልዓድ ወለደት። 15ማኪር ከኣ ማዓካ ዝስማ ሰበይቲ ኣእተወ፡ ንሳ ሓብቲ ሑጲምን ሹጺምን እያ።ስም እቲ ኻልኣይ ወዱ ድማ ጽሎፍሓድ እዩ። ጽሎሓድ ከኣ ኣዋልድ ነበራኦ። 16ማዓካ ሰበይቲ ማኪር ድማ ወዲ ወለደት፡ ስሙ ኸኣ ጶረሽ ኣውጽኣትሉ፡ ስም ሓው ድማ ሸረሽ፡ ደቁ ኸኣ ዑላምን ራቀምን እዮም። 17ደቂ ዑላም ድማ በዳን። እዚኣቶም ደቂ ጊልዓድ ወዲ ማኪር፡ ወዲ ምናሴ፡ እዮም። 18ሓብቱ ሓሞለከት ከኣ ንኢሽሆድን ንኣቢዔዘርን ንማሕላን ወለደት። 19ደቂ ሽሚዳዕ ድማ ኣሕያንን ሸከምን ሊቅሒን ኣኒዓምን እዮም።
20ደቂ ኤፍሬም ከኣ፡ ሹተላሕን ቤረድ ወዱን ታሓት ወዱን ኤልዓዳ ወዱን ታሓት ወዱን፡ 21ዛባድ ወዱን ሹተላሕ ወዱን፡ ዔዘርን ኤልዓድን፡ ንሳቶም ከብቶም ክዘምቱ ወሪዶም ነበሩ እሞ፡ እቶም ኣብታ ሃገር እተወልዱ ሰብ ጋት ቀተልዎም። 22ኣቦኦም ኤፍሬም ከኣ ብዙሕ መዓልቲ ሓዘነ፡ ኣሕዋቱ ድማ ከጸናንዕዎ መጹ። 23ናብ ሰበይቱ ኸኣ ኣተወ፡ ጠነሰት ድማ፡ ወዱውን ወለደት፡ ኣብ ቤቱ መከራ ስለ ዝመጾ ኸኣ፡ ስሙ ብሪዓ ኣውጽኣሉ። 24ጓሉ ድማ ሸኤራ፡ ንሳ ኸኣ ታሕታይን ላዕላይን ቤትሖሮንን ዑዜን-ሸኤራን ሰርሐት። 25ረፋሕ ወዱ ነበረ፡ ሬሸፍ ድማ። ቴላሕ ወዱ፡ ታሓን ወዱ፡ 26ላዕዳን ወዱ፡ ዓሚሁድ ወዱ፡ ኤሊሻማዕ ወዱ፡ 27ኔዊ ወዱ፡ እያሱ ወዱ። 28ዝሓዝወንን እተቐመጥወንን ቤትኤልን ከተማታትን፡ ብምብራቕ ከኣ ናዓራን፡ ብምዕራብውን ጌዘር ምስ ከተማታታ፡ ሴከምን ከተማታትን ድማ ክሳዕ ጋዛን ከተማታትን። 29ብዶብ ደቂ ምናሴ ኸኣ ቤትሸኣንን ከተማታታን፡ ታዕናክን ከተማታታን፡ መጊዶን ከተማታትን፡ ዶርን ከተማታታን። ኣብ እዚኣተን ደቂ ዮሴፍ ወዲ እስራኤል ተቐመጡ።
30ደቂ ኣሴር፡ ዪምናን ዪሽዋን ዪሽዊን ብሪዓን ሓብቶም ሰራሕን። 31ደቂ ብሪዓ ኸኣ፡ ሔበርን ማልኪኤልን፡ ንሱ ኣቦ ቢርዛዊት እዩ። 32ሔበር ድማ ንያፍሌጥን ንሻመርን ንሖታምን ንሓብቶም ሾዓን ወለደ። 33ደቂ ያፍሌጥ ድማ ጳሳክን ቢምሃልን ዓሽዋትን፡ እዚኣቶም ደቂ ያፍሌጥ እዮም። 34ደቂ ሻመር ከኣ፡ ኣሒን ሮህጋን ሑባን ኣራምን። 35ደቂ ሄላም ሓው ድማ፡ ጾፋሕን ይምናዕን ሼለሽን ዓማልን። 36ደቂ ጾፋሕ፡ ሱሓን ሓርነፈርን ሹዓልን ቤሪን ዪምራን፡ 37በጸርን ሆድን ሻማን ሺልሻን ዪትራንን ብኤራን። 38ደቂ የተር ከኣ፡ የፋነን ፊስጳን ኣራን። 39ደቂ ዑላ ድማ፡ ኣራሕን ሓኒኤልን ሪጽያን። 40እዚኣቶም ኲሎም ደቂ ኣሴር፡ ዋናታት መማይ ቤት ኣቦታቶም፡ ሕሩያት፡ ሓያላት ጀጋኑ፡ ሓላቑ ሹማምቲ ነበሩ። ቁጽሪ እቶም ኣብ ሰራዊት ወግእ ክዀኑ ኣብ መጽሓፍ ወለዶ እተጻሕፋ ድማ ዕስራን ሹድሽተን ሽሕ እዮም።
1ይ ዜና ምዕራፍ 8
1ብንያም ድማ ንቤላዕ በዂሩ ወለደ፡ ካልኣይ ኣሽቤል፡ ሳልሳይ ከኣ ኣሕራሕ፡ 2ራብዓይ ኖሓ፡ ሓምሳይ ድማ ራፋ። 3ቤላዕ ከኣ ደቂ ነበርዎ፡ ኣዳርን ጌራን ኣቢሁድን፡ 4ኣቢሹዓን ናዓማንን ኣሖኣሕን፡ 5ጌራን ሸፋፋንን ሑራምን። 6እዚኣቶም ደቂ ኤሑድ እዮም፡ እዚኣቶም ነቶም ኣብ ጌባዕ እተቐመጡ ኣብ መማይ ቤት ኣቦታቶም ዋናታት እዮም። ናብ ማናሓት ድማ ማረኽዎም። 7ናዓማንን ኣሕያን ጌራን ከኣ፡ ንሱ ማረኾም፡ ንዑዛን ንኣሒሑድን ድማ ወለደ።
8ሸሓራዪም ከኣ ነተን ኣንስቱ ሑሸምን ናዓራን ምስ ፈትሐን፡ ኣብ ሞኣብ ደቂ ወለደ። 9ካብ ሖደሽ ሰበይቱ ኸኣ ንዮባብን ንጺብያን ንሜሻን ንማልካምን፡ 10ንየዑጽን ንሻኽያን ንሚርማን ወለደ። እዚኣቶም ደቂ፡ ዋናታት መማይ ቤት ኣቦታቶም ነበሩ። 11ካብ ሒሺም ከኣ ንኣቢጡብን ንኤልጳዓልን ወለደ። 12ደቂ ኤልጳዓል ድማ፡ ዔበርን ሚሽዓምን ሻመርን፡ ንሱ ንኦኖን ንሎድ ምስ ከተማታታን ዝሰርሐ እዩ። 13ብሪዓን ሸማዕን ከኣ፡ ንሳቶም ነቶም ኣብ ኣያሎን ዝቕመጡ ዋናታት መማይ ቤት ኣቦታቶም ነበሩ፡ ንሳቶም ነቶም ኣብ ጋት ዝቕመጡ ሰጐጒዎም። 14ኣሕዮን ሻሻቅን ያሬሞትን፡ 15ዘባድያን ዓራድን ዔደርን፡ 16ሚካኤልን ዪሽጳን ዮሓን ድማ ደቂ ብሪዓ እዮም። 17ዘባድያን መሹላምን ሒዝቂን ሔበርን፡ 18ዪሽመራይን ዪዝሊያን ከኣ ደቂ ኤልጳዓል እዮም። 19ያቂምን ዚክሪን ዛብዲን፡ 20ኤሊዔናይን ጺልታይን ኤሊኤልን፡ 21ዓዳያን በራያን ሺምራትን ድማ ደቂ ሽምዒ እዮም። 22ይሽጳንን ዔበርን ኤሊኤልን፡ 23ዓብዶንን ዚክሪን ሓናንን፡ 24ሃናንያን ዔላምን ዓንቶቲያን፡ 25ዪፍድያን ጰኑኤልን ከኣ ደቂ ሻሻቅ እዮም። 26ሻምሸራይን ሸሓርያን ዓታልያን፡ 27የዓረሸያን ኤሊያን ዚክሪን ድማ ደቂ የሮሓም እዮም። 28እዚኣቶም ኣብ ወወለዶኦም በብማይ ቤት ኣቦታቶም ዋናታት ሓላቑ ነበሩ፡ ንሳቶም ኣብ የሩሳሌም ይቕመጡ ነበሩ።
29ኣቦ ጊብዖን ይቕመጥ ነበረ፡ ስም እታ ሰበይቱ ኸኣ ማዓካ እዩ። 30በዂሪ ወዱ ድማ ዓብዶን፡ ጹርን ቂስን በዓልን ናዳብን፡ 31ጌዶርን ኣሕዮን ዜክርን። 32ሚቅሎት ከኣ ንሽምኣ ወለደ፡ እዚኣቶምውን ኣብ መንጽር እቶም ኣሕዋቶም፡ ኣብ የሩሳሌም ምስ ኣሕዋቶም ተቐመጡ።
33ኔር ድማ ንቂስ ወለደ፡ ቂስ ከኣ ንሳኦል ወለደ፡ ሳኦል ድማ ንዮታንን ንመልኪሹዓን ንኣቢናዳብን ንኤሽባዓልን ወለደ። 34ወዲ ዮናታን ከኣ መሪብብዓል እዩ፡ መሪብብዓል ድማ ንሚካ ወለደ። 35ደቂ መካ ኸኣ፡ ጲቶንን መሌክን ታኣረዓን ኣሃዝን እዮም። 36ኣሃዝ ድማ ንየሆዓዳ ወለደ፡ የሆዓዳ ኸኣ ንዓለመትን ንኣዝማዌትን ንዚምሪን ወለደ፡ ዚምሪውን ንሞጻ ወለደ። 37ሞጻ ድማ ንቢንዓ ወለደ፡ ራፋ ወዱ፡ ኤልዓሳ ወዱ፡ ኣጼል ወዱ። 38ኣጼል ከኣ ሹድሽተ ኣወዳት ነበርዎ፡ ስሞም ድማ እዚ እዩ፡ ዓዝራቃም፡ ቦክሩ፡ ኢስማኤል፡ ሼዓርያ፡ ዖባድያ፡ ሓናን፡ እዚኣቶም ኲሎም ደቂ ኣጼል እዮም። 39ደቂ ዔሼቅ ሓው ድማ፡ ኡላም በዂሪ፡ ካልኣይ የዑሽ፡ ሳልሳይ ከኣ ኤሊፈለጥ። 40ደቂ ኡላምውን ተባዓት ተዋጋእቲ፡ ምግታር ቀስቲ ዝኽእሉ ሰባት ነበሩ። ብዙሓት ደቅን ደቂደቅን ድማ፡ ሚእትን ሓምሳን፡ ነበርዎም። እዚኣቶም ኲሎም ካብ ብንያም እዮም።
1ይ ዜና ምዕራፍ 9
1ብዘሎ እስራኤል ድማ ኣብ መጽሓፍ ወለዶታት ተጻሕፈ። እንሆ ኸኣ፡ ኣብቲ መጽሓፍ ነገስታት እስራኤል ተጽሒፎም እዮም። ይሁዳ ድማ ብሰሪ ኣበሳኦም ናብ ባቢሎን ተማረኹ። 2እቶም ቀዳሞት ኣብ ረርስቶምን ኣብ ከከተማታቶምን ዝነብሩ ዝነበሩ ተቐማጦ ግና እስራኤልን ካህናትን ሌዋውያንን ኔቲኒምን እዮም።
3ኣብ የሩሳሌም ከኣ ካብ ደቂ ይሁዳን ካብ ደቂ ብንያምን ካብ ደቂ ኤፍሬምን ምናሴን ይቕመጡ ነበሩ፡ 4ዑታይ ወዲ ዓሚሁድ፡ ወዲ ዖምሪ፡ ወዲ ኢምሪ፡ ወዲ ባኒ፡ ካብ ደቂ ፋሬስ ወዲ ይሁዳ። 5ካብ ሲሎናውያን ድማ፡ ዓሳያ እቲ በዂርን ደቁን። 6ካብ ደቂ ዜራሕ ከኣ፡ የጉኤልን እቶም ኣሕዋቶምን፡፡ ሹድሽተ ሚእቲን ተስዓን። 7ካብ ደቂ ብንያም ድማ፡ ሳሉ ወዱ መሹላም፡ ወዱ ሖዳውያ፡ ወዱ ሓዘኑኣ፡ 8ዪብነያ ወዲ የሮሓም ከኣ፡ ኤላ ወዱ ዑዚ፡ ወዲ ሚክሪ ድማ፡ መሹላም ወዱ ሸፋጥያ፡ ወዲ ሬጉኤል፡ ወዲ ዪብኒያ ኸኣ፡ 9ኣሕዋቶም ድማ ብወለዶታቶም ትሽዓተ ሚእትን ሓምሳን ሹድሽተን። ኲሎም እዞም ሰባት እዚኣቶም ኣብ መማይ ቤት ኣቦታቶም ዋናታት በቤት ኣቦታቶም እዮም።
10ካብ ካህናት ድማ፡ የዳዕያን የሆያሪብን ያቂንን፡ 11ዓዛርያውን ወዲ ሒልቂያ፡ ወዲ መሹላም፡ ወዲ ጻዶቅ፡ ወዲ መራዮት፡ ወዲ ኣሒጡብ፡ እቲ ራእሲ ቤት ኣምላኽ። 12ዓዳያ ኸኣ ወዲ የሮሓም፡ ወዲ ፈሽሑር፡ ወዲ ማልኪያ፡ ማዕሳይ ድማ ወዲ ዓዲኤል፡ ወዲ ያሕዜራ፡ ወዲ መሹላም፡ ወዲ መሺሌሚት፡ ወዲ ኢመር። 13ኣሕዋቶም ከኣ እቶም ዋናታት መማይ ቤት ኣቦታቶም፡ ሽሕን ሾብዓተ ሚእትን ስሳን፡ ኣብ ዕዮ ኣገልግሎት ቤት ኣምላኽ ኣዝዮም ንፉዓት ዝነበሩ ሰባት።
14ካብ ሌዋውያን ድማ፡ ሸማዕያ ወዲ ሓሸብ፡ ወዲ ዓዝሪቃም፡ ወዲ ሓሻብያ ኻብ ደቂ መራሪ፡ 15ባቅባቃርን ሔረስን ጋላልን ማታንያ ኸኣ ወዲ ሚካ፡ ወዲ ዚክሪ፡ ወዲ ኣሳፍ፡ 16ዖባድያ ድማ ወዲ ሸማዕያ፡ ወዲ ጋላል፡ ወዲ የዱቱን፡ በረክያ ኸኣ ወዲ ዓሳ፡ ወዲ እቲ ኣብ ዓድታት ነጦፋታውያን እተቐመጠ ኤልቃና። 17ሓለውቲ ደገ ድማ፡ ሻሉምን ዓቁብን ጣልሞንን ኣሒማንን ኣሕዋቶምን። ሻሉም ሓለቓ ነበረ። 18ንሳቶም ክሳዕ ሕጂ ኣብታ ብወገን ምብራቕ ዘላ ደገ ንጉስ ይጸንሑ ኣለው፡ እዚኣቶም ሓለውቲ ደገ ሰፈር ሌዊ እዮም። 19ሻሉም ከኣ ወዲ ቆሬ፡ ወዲ ኤብያሳፍ፡ ወዲ ቆራሕ፡ ምስቶም ካብ ቤት ኣቦኡ ዘበሉ ኣሕዋቱ ቆራሓውያን ኣብቲ ዕዮ ኣገልግሎት ሓለውቲ ልዳውቲ ድንኳን ነበሩ፡ ኣቦታቶምውን ኣብቲ ሰፈር እግዚኣብሄር ሓለውቲ መእተዊ ነይሮም እዮም። 20ቀደም ከኣ ፊንሃስ ወዲ ኣልኣዛር ሓለቓኦም ነበረ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ምስኡ ነበረ። 21ዘካርያስ ወዲ መሸለምያ ሓላው ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ነበረ። 22እዚኣቶም ኲሎም ኣብ ደጌታት ሓለውቲ ክዀኑ እተሓርዩ ኽልተ ሚእትን ዓሰርተው ክልተን ነበሩ። እዚኣቶም ኣብ ዓዓዶም ኣብ መጽሓፍ ወለዶ ተጻሕፉ፡ ንኣታቶም ዳዊትን ሳሙኤል እቲ ረኣዪን ኣብ ኣገልግሎቶም ኣቘምዎም። 23ንሳቶምን ደቆምን ከኣ ነቲ ደጌታት ቤት እግዚኣቢሄር፡ እቲ ናይ ድንኳን ቤት፡ ሓለውቲ ነበሩ። 24እቶም ሓለውቲ ደገ ኣብ ኣርባዕቲኤን ንፋሳት፡ ብምብራቕ፡ ብምዕራብ፡ ብሰሜን፡ ብደቡብ እዮም ዝነበሩ። 25እቶም ኣብ ዓዓዶም ዝነብሩ ኣሕዋቶም ከኣ ኣብ ሰሳብዐይቲ መዓልቲ፡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ምሳታቶ ክዀኑ። ይመጹ ነበሩ። 26ከመይሲ እዞም ሌዋውያን ዝነበሩ ኣርባዕተ ሓላቑ ሓለውቲ ደገ ወርትግ ሰብ መዚ እዮም ዝነበሩ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ ቤት ኣምላኽ ክፍልታትን መዝገባትን ከኣ ምዙዛት ነበሩ። 27ምሕላው ናታቶም ነበረ እሞ፡ ኣብ ዙርያ ቤት ኣምላኽ ይሓድሩ ነበሩ። ንግሆ ንግሆ ድማ ምኽፋቱ መዞም ነበረ። 28ገሊኣቶም ኣብ ልዕሊ እቲ ኣቓሑ ኣገልግሎትሲ ሰብ መዙ ነበሩ እሞ፡ ቈጺሮም የእትውዎ፡ ቈጺሮም ከኣ የውጽእዎ ነበሩ። 29ገሊኣቶምውን ኣብ ልዕሊ እቲ ኣቓሑ፡ ኣብ ብዘሎ ኣቓሑ መቕደስ ዋናታት ነበሩ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ድኹም ሓርጭን ወይንን ዘይትን ዕጣንን ቀመማትን ከኣ እተመዘዙ ነበሩ። 30ካብቶም ደቂ ኻህናት ድማ ገሊኣቶም ካብቲ ጥዑም ዝጨናኡ ቐመማት ቅብኢ የዳልው ነበሩ። 31ማቲትያ ኸኣ ካብቶም ሌዋውያን፡ ንሱ በዂሪ ወዱ ንሻሉም ቈራሓዊ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ ምስንካት ኣብ መቑሎ ዘሎ ዕዮ ምዙዝ ነበረ። 32ካብ ኣሕዋቶም ድማ፡ ካብቶም ደቂ ቀሃታውያን፡ ገሊኣቶም ንሰንበት ሰንበት ከዳልውዎ፡ ኣብ ልዕሊ እንጌራ ምርኣይ ነበሩ። 33እቶም ዘማሮ ዝዀኑ ኣብቲ ኽፍልታት ቤት ዝቕመጡ ዝነበሩ፡ ናይ ሌዋውያን ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታት፡ ለይትን መዓልትን ብዕዮኦም ትሑዛት ነበሩ እሞ፡ ካብ ካልእ ኣገልግሎት ሓራ ነበሩ። 34እዚኣቶም በብወለዶኦም ኣሕሉቑ፡ በብማይ ቤት ኣቦታት ሌዋውያን ዋናታት እዮም፡ ንሳቶም ኣብ የሩሳሌም ይቕመጡ ነበሩ።
35የዒኤል ኣቦ ጊብዖን፡ ሰበይቱ መዓካ እትብሃል፡ ኣብ ጊብዖን ይቕመጥ ነበረ። 36በዂሪ ወዱ ድማ ዓብዶን እዩ፡ ድሕሪኡ ጹርን ቂስን በዓልን ኔርን ናዳብን፡ 37ጌዶርን ዓሕዮን ዘካርያን ሚቅሎትን። 38ሚቅሎት ከኣ ንሺመኣም ወለደ፡ እዚኣቶም ድማ ምስ ኣሕዋቶም ኣብ የሩሳሌም ኣብ መንጽር ኣሕዋቶም ተቐመጡ። 39ኔር ከኣ ንቂስ ወለደ፡ ቂስ ድማ ንሳኦል ወለደ፡ ሳኦል ከኣ ንዮናታንን ሜልኪ-ሹዓን ኣቢናዳብን ኤሽባዓልን ወለደ። 40ወዲ ዮናታን ድማ መሪብባዓል ከኣ ንሚካ ወለደ። 41ደቂ ሚካ ድማ፡ ጲቶንን መለክን ታሕሬዓን ኣሃዝን። 42ኣሃዝ ከኣ ንያዕራ ወለደ፡ ያዕራ ድማ ንዓለመትን ዓዝማዌትን ዚምሪን ወለደ፡ ዚምሪውን ንሞጻ ወለደ። 43ሞጻ ንቢንዓ ወለደ፡ ሬፋያ ኸኣ ወዱ፡ ኤልዓሳ ወዱ፡ ኣጼል ወዱ። 44ኣጼል ድማ ሹድሽተ ወዲ ነበርዎ፡ ስሞም ከኣ እዚ እዩ፡ ዓዝሪቃም፡ ቦክሪ፡ እስማኤልን ሸዓርያን ዖባድያን ሓናንን። እዚኣቶም ደቂ ኣጼል እዮም።
1ይ ዜና ምዕራፍ 10
1ፍልስጥኤማውያን ድማ ምስ እስራኤል ተዋግኡ፡ እቶም ሰብ እስራኤል ከኣ ካብ ቅድሚ ፍልስጥኤማውያን ሃደሙ፡ ተወጊኦም ድማ ኣብ ከረን ጊልባዓ ወደቑ። 2ፍልስጥኤማውያን ከኣ ደድሕሪ ሳኦልን ደድሕሪ ደቁን ስዒቦም እግር እግሮም ጠበቕዎም። ፍልስጥኤማውያን ድማ ነቶም ደቂ ሳኦል፡ ንዮናታንን ኣቢናዳብን ማልኪ-ሹዓን ቀተልዎም። 3ኣብ ልዕሊ ሳኦል ከኣ እቲ ውግእ በርትዐ፡ ወርወርቲ መንትግውን ኣርከብዎ፡ በቶም ወርወርቲ ድም ኣዝዩ ተጨነቐ። 4ሽዑ ሳኦል ንጋሻ ዛግሬኡ፡ እዞም ዘይግዙራት እዚኣቶም መጺኦም ከየላግጹለይሲ፡ ሴፍካ ምሰቶ እሞ ብእኡ ቕተለኒ፡ በሎ። እቲ ጋሻ ዛግሬኡ ግና እምብዛ ፈርሀ እሞ፡ ኣይፈተወን። ሽዑ ሳኦል ሴፉ ወሲዱ ኣብ ልዕሊኡ ወደቐ። 5እቲ ጋሻ ዛግሬኡ ኸኣ፡ ሳኦል ከም ዝሞተ ምስ ረኣየ፡ ንሱ ድማ ናብ ሴፉ ወደቐ እሞ ሞተ። 6በዚ ኸምዚ ሳኦልን ሰለስቲኦም ደቁን ሞቱ፡ ኲሎም ቤተሰቡውን ብሓንሳእ ሞቱ። 7እቶም ኣብ ለሰ ዝነበሩ ዂሎም ሰብ እስራኤል ከኣ ከም ዝሃደሙ፡ ሳኦልን ደቁን ድማ ከም ዝሞቱ ምስ ረኣዩ፡ ከተማታቶም ሓዲጎም ሃደሙ፡ ፍልስጥኤማውያን ከኣ መጺኦም ተቐመጥወን።
8ኰነ ድማ፡ ንጽብሒቱ እቶም ፍልስጥኤማውያን ነቶም ዝሞቱ ኽገፍዎም መጹ፡ ንሳኦልን ንደቁን ከኣ ኣብቲ ኸረን ጊልቦዓ ወዲቖም ረኸብዎም። 9ሽዑ ገፈፍዎ፡ ርእሱን ኣጽዋሩን ወሲዶም ከኣ ንጣኦቶምን ነቲ ህዝብን ምእንቲ ኸበስሩ፡ ናብ ዙርያ ሃገር ፍልስጥኤማውያን ሰደድዎ። 10ነቲ ኣጽዋሩ ድማ ኣብ ቤት ዳጎን ሰቐልዎ።
11ብዘለው ሰብ ያቤሽ-ጊልዓድ እቲ ፍልስጥኤማውያን ንሳኦል ዝገበርዎ ዘበለ ዂሉ ምስ ሰምዑ፡ 12ጀጋኑ ዘበሉ ዂሎም ሰባት ተንስኡ እሞ ነቲ ሬሳ ሳኦልን ንሬሳታት ደቁን ወሲዶም ናብ ያቤሽ ኣምጽእዎም፡ ነቲ ኣዕጽምቶም ድማ ኣብ ትሕቲ እታ ኣብ ያቤሽ ዘላ ድዋ ቐበርዎ፡ ሾብዓተ መዓልቲ ኸኣ ጾሙ።
13ሳኦል ከኣ ንቓል እግዚኣብሄር ብዘይምሕላውን ነታ ጠንቋሊት ምኽሪ ብምጥያቑን ንእግዚኣብሄር ብዝበደሎ በደል ሞተ። 14ንእግዚኣብሄር ኣይጠየቐን፡ ስለዚ ቐተሎ፡ ነታ መንግስቲ ኸኣ ናብ ዳዊት ወዲ እሴይ ኣዛወራ።
1ይ ዜና ምዕራፍ 11
1ሽዑ ብዘለው እስራኤል ናብ ዳዊት ኣብ ሔብሮን ተኣኪቦም ከምዚ በልዎ፡ እኔና ንሕናስ ዓጽምኻን ስጋኻን ኢና፡ 2ካብ ቀደም ድማ እቲ ሳኦል ነጊሱ ኸሎ፡ እቲ ንእስራኤል እተውጽኦን እተኣትዎን ንስኻ ኢኻ ዝነበርካ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኸኣ ንኣኻ፡ ንስኻ ንህዝበይ እስራኤል ክትጓሲ ኢኻ፡ ንስኻ ድማ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤል መስፍን ክትከውን ኢኻ፡ ኢሉካ እዩ። 3ኲሎም ዓበይቲ እስራኤል ድማ ናብ ንጉስ ኣብ ሔብሮን መጹ፡ ዳዊት ከኣ ኣብ ሔብሮን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ምሳታቶም ኪዳን ኣተወ። ከምቲ ብሳሙኤል እተነግረ ቓል እግዚኣብሄር ድማ ንዳዊት ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንጉስ ክኸውን ቀብእዎ።
4ዳዊትን ብዘሎ እስራኤልን ድማ ናብ የሩሳሌም፡ ንሳ ይቡስ፡ ከደ። ተቐማጦ እታ ሃገር ይብሳውያን ኣብኣ ነበሩ። 5እቶም ሰብ ይቡስ ከኣ ንዳዊት፡ ናብዝስ ኣይትኣቱን ኢኻ፡ በልዎ። ዳዊት ግና ንእምባ ጽዮን፡ ንሳ ኸተማ ዳዊት፡ ሓዛ። 6ዳዊት ከኣ፡ እቲ ቐዲሙ ንይብሳውያን ዝቐተለ ዘበለ፡ ሓለቓን ራእስን ክኸውን እዩ፡ በለ። ዮኣስ ወዲ ጹርያ ድማ ቅድም ደየበ እሞ ሓለቓ ዀነ። 7ዳዊት ከኣ ኣብታ እምባ ተቐመጠ፡ ስለዚ ንእኣ ኸተማ ዳዊት ኢሎም ሰመይዋ። 8ነታ ኸተማ ድማ ብዙርያ፡ ካብ ሚሎ ሒዙ ኽሳዕ ዙርያኣ ሰርሓ። ነቲ ኣብታ ኸተማ ዝተረፈ ኸኣ ዮኣብ ኣዐረዮ። 9ዳዊት ድማ እናዓበየ ኸደ፡ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከኣ ምስኡ ነበረ።
10እቶም ምስ ብዘሎ እስራኤል ኰይኖም፡ ከምቲ ቓል እግዚኣብሄር ብዛዕባ እስራኤል፡ ንዳዊት ከንግስዎ፡ ኣብ መንግስቱ ምስኡ ዀይኖም ድማ ብሓይሊ ዝሓገዝዎ ኣውራታት ጀጋኑ ዳዊት እዚኣቶም እዮም። 11ቁጽሪ ጀጋኑ ዳዊት ከኣ እዚ እዩ፡ ያሾበዓም፡ ወዲ ሓደ ሓክሞናዊ፡ እዚ ርእሲ እቶም ሰላሳ፡ ንሱ ዂናቱ ኣብ ልዕሊ ሰለስተ ሚእቲ ኣልዒሉ፡ ብሓደ ሳዕ ቀተሎም። 12ድሕሪኡ ድማ ኣልኣዛር ወዲ ዶዶ፡ እቲ ዓሖሓዊ፡ ንሱ ኻብቶም ሰለስተ ጀጋኑ ሓደ እዩ። 13ንሱ ኣብ ጰስዳሚም ምስ ዳዊት ነበረ። ፍልስጥኤማውያን ከኣ ንውግእ ኣብኡ ተኣኪቦም ነበሩ፡ ኣብኡ ድማ ስገም ዝመልኣ ግራት ነበረት፡ እቶም ህዝቢ ኸኣ ካብ ቅድሚ ፍልስጥኤማውያ ሃደሙ። 14ንሳቶም ግና ኣብ ማእከል እታ ግራት ቈይሞም ኣድሓንዋ፡ ንፍልስጥኤማያንውን ሰዓርዎም፡ እግዚኣብሄር ከኣ ብዓብዪ ምድሓን ኣድሓኖም።
15ካብቶም ሰላሳ ኣውራታት ድማ ሰለስተ ናብታ ከውሒ፡ ናብ ዳዊት ኣብታ በዓቲ ኣዱላም ወረዱ፡ እቲ ጭፍራ ፍልስጥኤማውያን ከኣ ኣብ ለሰ ረፋይም ሰፈሩ ነበረ። 16ሽዑ ዳዊት ኣብ እምባ ነበረ፡ ዘብዐኛታት ፍልስጥኤማውያን ድማ ሽዑ ኣብ ቤት-ልሄም ነበሩ። 17ዳዊት ከኣ፡ ካብቲ ኣብ ጥቓ ደገ ቤት-ልሄም ዘሎ ዔላ መን ኰን ማይ የስትየኒ፡ ኢሉ ተመነየ። 18ሽዑ እቶም ሰለስተ ነቲ ሰፈር ፍልስጥኤማውያን ጥሒሶም፡ ካብቲ ኣብ ጥቓ ደገ ቤት-ልሄም ዘሎ ዔላ ማይ ቀድሑ፡ ጾይሮም ድማ ንዳዊት ኣምጽኡሉ። ዳዊት ግና ንእግዚኣብሄር ከዓወሉ እምበር፡ ክሰትዮስ ኣይፈተወን። 19ንሱ፡ ህይወቶም ቀቢጾም ኣምጺኦምዎ እዮም እሞ፡ ደም እዞም ህይወቶም ዝቐበጹ ሰባት እዚኣቶምዶ ኽሰቲ እየ ነዚ ምግባርስ ኣምላኸይ ካባይ የርሕቆ፡ በለ። ስለዚ ኽሰትዮ ኣይፈተወን። እቶም ሰለስተ ጀጋኑ እዚ ገበሩ።
20ኣቢሻይ ሓው ዮኣብ ከኣ ርእሲ እቶም ሰለስተ ነበረ። ንሱ ድማ ኲናቱ ኣብ ልዕሊ ሰለስተ ሚእቲ ኣልዒሉ ቐተሎም። ኣብ መንጎ እቶም ሰለስተ ስሙይ ነበረ። 21ኣብ መንጎ እቶም ሰለስተ ንሱ ኻብቶም ክልተ ይኸብር ነበረ፡ ሓለቓኦም ከኣ ዀነ፡ ክሳዕ ማዕረ እቶም ሰለስተ ቐዳሞት ግና ኣይበጽሐን። 22በናያ ወዲ የሆያዳ፡ ወዲ ሓደ ጅግና ሰብኣይ፡ ዓብዪ ነገር ዝገበረ ብዓል ቀብጽኤል፡ ንሱ ኽልተ ደቂ ኣሪኤል ሰብ ሞኣብ ቀተለ። ንሱ ድማ ብግዜ ውርጪ ናብ ውሽጢ ጒድጓድ ወሪዱ ኣንበሳ ቐተለ። 23ንሱ ኸኣ ንሓደ ግብጻዊ ሰብኣይ፡ ነዊሕ ሓሙሽተ እመት ዝቑመቱ ሰብኣይ፡ ቀተሎ። ኣብ ኢድ እቲ ግብጻዊ ሰብኣይ ክንዲ ወንደረሽ ኣላማይ ዝኸውን ኲናት ነበረ፡ ንሱ ግና በትሪ ሒዙ ናብኡ ወረደ፡ ነቲ ዂናት ከኣ ካብ ኢድ እቲ ግብጻዊ መንዚዑ ብገዛእ ኲናቱ ቐተሎ። 24በናያ ወዲ የሆያዳ እዚ ነገር እዚ ገይሩ ነበረ እሞ፡ ኣብ መንጎ እቶም ሰለስተ ጀጋኑ ስሙይ ነበረ። 25እንሆ፡ ንሱ ኻብቶም ሰላሳ ይኸብር ነበረ፡ ናብቶም ሰለስተ ቐዳሞት ግና ኣይበጽሐን። ዳዊት ከኣ መማኸርቱ ገበሮ።
26እቶም ናይ ውግእ ጀጋኑ ድማ እዚኣቶም እዮ፡ ዓሳሄል ሓው ዮኣብ፡ ኤልሓናን ወዲ ዶዶ ቤት-ልሄማዊ፡ 27ሻሞት እቲ ሃሮራዊ፡ ሔለጽ እቲ ጰሎናዊ፡ 28ዒራ ወዲ ዒቄሽ፡ እቲ ተቆዓዊ፡ ኣቢዔዘር እቲ ኣናቶታዊ፡ 29ሲብካይ እቲ ሑሻታዊ፡ ዒላይ እቲ ኣሖሓዊ፡ 30ማሃራይ እቲ ንጦፋታዊ፡ ሔለድ ወዲ በዓና፡ እቲ ንጦፋታዊ፡ 31ኢታይ ወዲ ሪባይ፡ ካብ ጊብዓ፡ ካብቶም ደቂ ብንያም፡ በናያ እቲ ጲርዓቶናዊ፡ 32ሑራይ ካብ ርባታት ጋዓሽ፡ ኣቢኤል እቲ ዓርባታዊ፡ 33ዓዝማዌት እቲ ባሓሩማዊ፡ ኤለያሕባ እቲ ሳዓልቦናዊ፡ 34በነሃሽም እቲ ጊዞናዊ፡ ዮናታን ወዲ ሻገ፡ እቲ ሓራራዊ፡ 35ኣሒኣም ወዲ ሻካር እቲ ሓራራዊ፡ ኤሊፋል ወዲ ኡር። 36ሔፈር እቲ መኬራታዊ፡ ኣሒያ እቲ ጶሎናዊ። 37ሔጽሮ እቲ ቀርሜሎሳዊ፡ ናዓራይ ወዲ ኤዝባይ፡ 38ዮኤል ሓው ናታን፡ ሚብሓር ወዲ ሃግሪ፡ 39ጼለቅ እቲ ዓሞናዊ፡ ናሕራይ እቲ ቤሮታዊ፡ ጋሻ ዛግሬ ዮኣብ ወዲ ጽሩያ፡ 40ዒራ እቲ ዪትራዊ፡ ጋሬብ እቲ ዪትራዊ፡ 41ኡሪያ እቲ ሔታዊ፡ ዛባድ ወዲ ኣሕላይ፡ 42ዓዲና ወዲ ሺዛ እቲ ሮቤላዊ፡ ሓደ ሓለቓ ሮቤላውያን፡ ምስኡ ኸኣ ሰላሳ፡ 43ሓናን ወዲ ማዓካ፡ ዮሳፋጥ እቲ ሚትናዊ ኸኣ፡ 44ዑዚያ እቲ ዓሽትራታዊ፡ ሻማን የጉኤልን ደቂ ሖታም ዓሮዔራዊ፡ 45የዲዓኤል ወዲ ሺምሪ፡ ዮሓ ኸኣ ሓው፡ እቲ ቲጻዊ። 46ኤሊኤል እቲ ማሃዊ፡ ዪሪባይን ዮሻዊያን ደቂ ኤልናዓም ከኣ፡ ዪትማ እቲ ሞኣባዊ፡ 47ኤሊኤልን ዖቤድን ያዓሺኤል እቲ መጾባያውን።
1ይ ዜና ምዕራፍ 12
1ዳዊት ገና ኻብ ገጽ ሳኦል ወዲ ቂስ ተሓቢኡ ኸሎ፡ እቶም ናብኡ ኣብ ጺቅላግ ዝመጹ እዚኣቶም እዮም፡ ንሳቶም ከኣ ኣብ መንጎ እቶም ኣብ ውግእ ዝሓገዝዎ ጀጋኑ ነበሩ። 2ንሳቶም ብየማነ ጸጋሞም ምውንጫፍ ኣእማን ዝኽእሉ፡ ብቐስቲውን ፍላጻ ዝውርውሩ ቐስተኛታት ነበሩ። ካብ ኣሕዋት ሳኦል፡ ካብ ብንያማውያን እዮም ዝነበሩ። 3ኣሒዔዘር እቲ ርእሰን ዮኣስን፡ ደቂ ሽማዓ እቲ ጊብዖናዊ፡ የዚኤልን ጰለጥን ደቂ ኣዝማዌት፡ ብራካን የሁ እቲ ዓናቶታውን። 4ዪሽማዕያ እቲ ጊብዖናዊ ድማ ሓደ ጅግና ኣብ መንጎ እቶም ሰላሳ፡ ሓለቓ እቶም ሰልሳ፡ ኤርምያስን ያሓዚኤልን ዮሓናንን ዮዛባድ እቲ ገደራታውን። 5ኤልዑዛይን የሪሞትን በዓልያን ሸማርያን ሸፋጥያ እቲ ሓሩፋውን፡ 6እቶም ቈረሓውያን፡ ኤልቃናን ዪሺያን ዓዛርኤልን ዮዔዘርን ያሾብዓምን፡ 7ዮዔላን ዘባድያን፡ ደቂ ይሮሓም ካብ ግዶር።
8ገለ ኻብ ጋዳውያን ከኣ ዓልዮም ናብ ዳዊት ኣብቲ እምባ ኣብ በረኻ መጹ፡ ሓያላት ጀጋኑ፡ ንውግእ ዕሉማት፡ ብዋልታን ኲናትን እተሰለፉ ሰባት፡ ገጾም ከኣ ንገጽ ኣናብስ ይመስሉ፡ ከም ሶስሓ ድማ ኣብ ኣኽራን ቅልጡፋት ነበሩ፡ 9ዔዘር እቲ ርእሲ፡ እቲ ኻልኣይ ዖባድያ፡ እቲ ሳልሳይ ኤሊያብ፡ 10እቲ ራብዓይ ሚሽማና፡ እቲ ሓምሳይ ኤርምያስ፡ 11እቲ ሳድሳይ ዓታይ፡ እቲ ሳብዓይ ኤሊኤል፡ 12እቲ ሳምናይ ዮሓናን፡ እቲ ታስዓይ ኤልዛባድ፡ 13እቲ ዓስራይ ኤርምያስ፡ እቲ መበል ዓሰርተው ሓድ ማክባናይ። 14እዚኣቶም ካብ ደቂ ጋድ ሓላቑ ሰራዊት እዮም ዝነበሩ፡ ሓደ ኻባቶቶም እቲ ንኡስ ክንዲ ሚእቲ፡ እቲ ዓብዪ ኸኣ ክንዲ ሽሕ ያኣክል ነበረ። 15እቶም በታ መጀመርያ ወርሒ ንዮርዳኖስ ኣብ ልዕሊ ዂሉ ገምገም ኽሳዕ እተፍስስ ኣፍ ንኣፍ መሊኣ ኸላ እተሳገሩ፡ ነቶም ኣብ ለሴታት ዝነብሩ ዂሎም ንምብራቕን ንምዕራብን ኣቢሎም ዝሰጐጒዎም ድማ እዚኣቶም እዮም።
16ካብ ደቂ ብንያም ይሁዳን ከኣ ናብ ዳዊት፡ ናብቲ እምባ መጹ። 17ዳዊት ድማ ክቕበሎም ወጸ፡ ከምዚ ተዛሪቡ ኸኣ መለሰሎም፡ ክትሕግዙኒ ኢልኩም ብሰላም እንተ ዄንኩም ዝመጻእኩምኒ፡ ልበይ ምሳኻትኩም ሓደ ክኸውን እዩ። ኣብ ኢደይ ገለ እኳ ዓመጽ ዘየልቦ ኽነሱስ፡ ኣብ ጸላእተይ ከተትሕዙኒ እንተ ዄንኩም ግና፡ እቲ ኣምላኽ ኣቦታትና ይርኣዮ እሞ ይቕጽዓዮ። 18ሽዑ ኣማሳይ ኣውራ እቶም ሰላሳ፡ መንፈስ ለበሰ እሞ፡ ኣታ ዳዊት፡ ንሕናስ ናትካ ኢና፡ ኣታ ወዲ እሴይ፡ ንሕናስ ምሳኻ ኢና። ኣምላኽ ሓጊዙካ እዩ እሞ፡ ሰላም ንኣኻ፡ ሰላም፡ ንሓገዝትኻውን ሰላም ይኹን፡ በለ። ዳዊት ከኣ ተቐበሎም፡ ሓላቑ ጭፍራ ድማ ገበሮም።
19ገለ ኻብ ምናሴውን ናብ ዳዊት ሓለፉ፡ እዚ ኸኣ ንሱ ምስ ፍልስጥኤማውያን ኰይኑስ፡ ንሳኦል ክወግእ ወጺኡ ኸሎ እዩ ዝዀነ፡ ግናኸ እቶም መኳንንቲ ፍልስጥኤማውያን፡ ብዋጋ ኣራእስና ናብ ጐይታኡ ከየብል፡ ኢሎም ብምኽሪ ሰደድዎ እሞ፡ ኣይሓገዝዎምን። 20ናብ ጺቅላግ ክኸይድ ከሎ ድማ፡ ካብ ምናሴ ናብኡ ዝሓለፉ፡ ዓድናሕን ዮዛባድን የዲዓኤልን ሚካኤልን ዮዛባድን ኤሊሁን ጺልታይን፡ ናይ ምናሴ ሓላቑ ሽሕ። 21ንሳቶም ኲሎም ሓያላት ጀጋኑ፡ ኣብቲ ሰራዊት ከኣ ሓላቑ ዝዀኑ እዮም ዝነበሩ እሞ፡ ንዳዊት ኣንጻር እቲ ጭፍራ ዘመትቲ ሓገዝዎ። 22ካብ መዓልቲ ንመዓልቲ ምእንቲ ኽሕግዝዎ ናብ ዳዊት ይመጹ ነበሩ እሞ፡ ከም ሰራዊት ኣምላኽ እቲ ሰራዊት ዓብዪ ዀነ።
23እቶም ከምቲ ቓል እግዚኣብሄር ነታ መንግስቲ ሳኦል ናብኡ ምእንቲ ኸምልስዋ፡ ናብ ዳዊት ናብ ሔብሮን ዝመጹ፡ ንውግእ እተሰለፉ ተዋጋእቲ፡ ቁጽሮም እዚ እዩ፡ 24ደቂ ይሁዳ፡ ዋልታን ኲናትን ዝጾሩ፡ ንውግእ እተሰለፉ ሹድሽተ ሽሕን ሾሞንተ ሚእትን። 25ካብ ደቂ ስምኦን፡ ንውግእ ሓያላት ጀጋኑ ሾብዓተ ሽሕን ሚእትን። 26ካብ ደቂ ሌዊ ኣርባዕተ ሽሕን ሹድሽተ ሚእትን። 27የሆይዳ፡ እቲ መስፍን ማይ ቤት ኣሮን፡ ምስኡ ኸኣ ሰለስተ ሽሕን ሾብዓተ ሚእትን። 28ጻዶቅ ድማ ጐበዝ፡ ሓያል ጀግና፡ ምስኡ ኸኣ ዕስራን ክልተን ሓላቑ ኻብ ቤት ኣቦኡ። 29ካብ ደቂ ብንያም ኣሕዋት ሳኦል ድማ ሰለስተ ሽሕ፡ ክሳዕ እዚ ዘመን እዝስ ዝበዝሑ ኻባታቶም ገና ምስ ቤት ሳኦል ጸኒዖም ነበሩ። 30ካብ ደቂ ኤፍሬም ከኣ ዕስራ ሽሕን ሾሞንተ ሚእትን፡ ሓያላት ጀጋኑ፡ ኣብ መማይ ቤት ኣቦታቶም ስሙያት ሰባት። 31ካብ ፈረቓ ነገድ ምናሴ ድማ፡ ዓሰርተው ሾሞንተ ሽሕ፡ ንዳዊት ከንግሱ ኽመጹ በብስሞም እተሰምዩ። 32ካብ ደቂ ይሳኮር ከኣ፡ እስራኤል እንታይ ክገብር ከም ዝግብኦ ኽፈልጡ፡ ምስትውዓል ዘመናት ዘለዎም፡ ክልተ ሚእቲ ዋናታቶም፡ ኣብ ትሕቲ ትእዛዞም ድማ ኲሎም ኣሕዋቶም ምሳታቶም። 33ካብ ዛብሎን ብዂሉ ዓይነት ኣጽዋር ውግእ እተሰለፈ፡ ናብ ሰራዊት ዝወጹ፡ ፈለጥቲ ስርዓት ውግእ፡ ልቦም ዘይምቁል፡ ሰብ ስርዓት፡ ሓምሳ ሽሕ። 34ካብ ንፍታሌም ከኣ ሽሕ ሓላቑ፡ ምሳታቶም ድማ ብዋልታን ኲናትን እተሰለፉ ሰላሳን ሾብዓተን ሽሕ። 35ካብቶም ሰብ ዳን ከኣ ንውግእ እተሰለፉ፡ ዕስራን ሾሞንተን ሽሕን ሹድሽተ ሚእትን። 36ካብ ኣሴር ድማ ንውግእ ተሰሊፎም ናብ ሰራዊት ዝወጹ፡ ኣርብዓ ሽሕ። 37ካብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ድማ ካብ ሮቤላውያንን ጋዳውያንን ፈረቓ ነገድ ምናሴን፡ ብዂሉ ዓይነት ናይ ሰራዊት ኣጽዋር ውግእ እተሰለፉ፡ ሚእትን ዕስራን ሽሕ። 38እዚኣቶም ኲሎም ንውግእ እተዳለው ተዋጋእቲ፡ ንዳዊት ኣብ ልዕሊ ዂሉ እስራኤል ከንግዎ፡ብፍጹም ልቢ ናብ ሔብሮን መጹ። ብዘሎ እቲ ዝተረፈ እስራኤል ከኣ ዳዊት ንምንጋስ ሓደ ልቢ ነበረ። 39ኣሕዋቶም ኣሳናድዮምሎም ነበሩ እሞ፡ ንሳቶም ኣብኡ ምስ ዳዊት እናበልዑን እናሰተዩን ሰለስተ መዓልቲ ቐነዩ። 40ኣብ እስራኤል ሓጐስ ኰይኑ ነበረ እሞ፡ እቶም ኣብ ቀረባኦም ዝነበሩ ድማ፡ ክሳዕ ኣብ ይሳኮርን ዛብሎንን ንፍታሌምን፡ በእዱግን በግማልን በባቕልን በብዑርን ብዙሕ ምግቢ፡ እንጌራን ሓርጭን ጐጎ በለስን ጐጎ ዘቢብን ወይንን ዘይትን ሰባሕትን ጤል በጊዕን ኣምጽኡሎም።
1ይ ዜና ምዕራፍ 13
1ዳዊት ድማ ምስ ሓላቑ ሽሕን ሓላቑ ሚእትን ምስ ኲሎም መሳፍንትን ተማኸረ። 2ዳዊት ከኣ ንብዘሎ ማሕበር እስራኤል በሎ፡ እዚ ነኣኻትኩም ጽቡቕ መሲሉኩም እንተ ዀይኑ፡ እዚ ካብ እግዚኣብሄር ኣምላኽናውን እንተ ዀይኑስ፡ ናብቶም ዝተረፉ ኣሕዋትና ናብ ኲለን ሃገራት እስራኤልን ምስኦም ናብ ዘለው ኻህናትን ሌዋውያንን ከኣ ኣብተን ከተማታቶም መምስ ከባብአን፡ ንሳቶም ናባና ምእንቲ ኽእከቡ፡ ልኡኻት ንስደደሎም። 3ነቲ ታቦት ኣምላኽና ብዘመን ሳኦል ኣይጠየቕናሉን ኢና እሞ፡ ናባና ነምጽኣዮ። 4እዚ ነገር እዚ ኸኣ ንብዘሎ ህዝቢ ቕኑዕ መሲልዎ ነበረ እሞ፡ ብዘሎ እቲ ማሕበር፡ ከምኡ ንግበር፡ በለ።
5ዳዊት ነቲ ታቦት ኣምላኽ ካብ ቂርያት-የዓሪም ምእንቲ ኸምጽኦ ኸኣ፡ ካብ ሲሖር ግብጺ ጀሚሩ ኽሳዕ መእተዊ ሓማት ንዝነበሩ ዂሎም እስራኤል ኣከቦም። 6ዳዊትን ብዘሎ እስራኤልን ድማ ነቲ ታቦት ኣምላኽ፡ ናይቲ ኣብ ኪሩቤል ዝቕመጥ እግዚኣብሄር፡ ንሱውን ብስሙ እተሰምየሉ፡ ካብኣ ምእንቲ ኽወስድዎ፡ ናብ ባዓላ ናብ ቂርያት-የዓሪም ናይ ይሁዳ ደየቡ። 7ነቲ ታቦት ኣምላኽ ኣብ ሓድሽ ሰረገላ ኣንቢሮም ድማ ካብ ቤት ኣቢናዳብ ወሰዱዎ። ዑዛን ኣሒዮን ከኣ ነቲ ሰረገላ ይመርሕዎ ነበሩ። 8ዳዊትን ብዘለው እስራኤልን ከኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብዂሉ ሓይሎም ብመዝሙራትን ብበገናን ብመሰንቆን ብኸበሮን ብጸናጽልን ብመለኸታትን ይጻወቱ ነበሩ። 9ኣብ ዓውዲ ኺዶን ምስ መጹ ግና፡ እቶም ኣብዑር ስለ ዝፋነኑ፡ ዑዛ ነቲ ታቦት ክሕዞ ኢዱ ዘርግሐ። 10ሽዑ ዂራ እግዚኣብሄር ኣብ ዑዛ ነደደ፡ ኢዱ ናብቲ ታቦት ስለ ዝዘርግሐ ኸኣ፡ ቀዘፎ እሞ፡ ኣብኡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሞተ። 11ዳዊት ድማ፡ እግዚኣብሄር ንዑዛ ስለ ዝሰበሮ፡ ብጓሂ ሓረረ እሞ ነቲ ቦታ እቲኣ፡ ከምቲ ኽሳዕ ሎም መዓልቲ ዘሎ፡ ጰሬጽ-ዑዛ ኢሉ ሰመያ። 12ዳዊት ከኣ በታ መዓልቲ እቲኣ ንኣምላኽ ፈሪሁ፡ ታቦት ኣምላኽ ከመይ ገይረ ናባይ ከምጽእ በለ። 13ስለዚ ድማ ዳዊት ነቲ ታቦት ናብ ቤት ዖቤድ-ኤዶም ጊታዊ ኣእተዎ እምበር፡ ናብ ከተማ ዳዊት ኣየግዓዞን። 14እቲ ታቦት ኣምላኽ ከኣ ምስ ቤተ ሰብ ዖቤድ-ኤዶም ኣብ ቤቱ ሰለስተ ወርሒ ተቐመጠ። እግዚኣብሄር ድማ ንቤት ዖቤድ-ኤዶም ንዂሉ ዘለዎን ባረኾ።
1ይ ዜና ምዕራፍ 14
1ሒራም ንጉስ ጢሮስ ድማ ንዳዊት ቤት ክሰርሑሉ ልኡኻትን ኦም ጽሕድን ነደቕትን ጸረብትን ሰደደሉ። 2ዳዊት ከኣ፡ እግዚኣብሄር ምእንቲ ህዝቡ እስራኤል ኢሉ፡ ነታ መንግስቱ እምብዛ ልዕል ኣቢሉሉ ነበረ እሞ፡ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንጉስ ገይሩ ኸም ዘጽንዖ ኣስተውዓለ። 3ዳዊት ድማ መሊሱ ኣብ የሩሳሌም ካልኦት ኣንስቲ ወሰደ እሞ፡ ዳዊት ወሲኹ ኣወዳትን ኣዋልድ ወለደ። 4እቶም ኣብ የሩሳሌም እተወልዱሉ ደቂ ስሞም እዚ እዩ፡ ሻሙዓን ሾባብን ናታንን ሰሎምንን፡ 5ይብሓርን ኤሊሹዓን ኤልፈለጥን፡ 6ኖጋን ኔፈግን ያፊዓን፡ 7ኤሊሻማን በዒልያዳን ኤሊፈለጥን። 8ፍልስጥኤማውያን ከኣ ዳዊት ኣብ ልዕሊ ዂሉ እስራኤል ንጉስ ክኸውን ከም እተቐብአ ምስ ሰምዑ፡ ኲሎም ፍልስጥኤማውያን ንዳዊት ክደልይዎ ደየቡ። ዳዊት ድማ ምስ ሰምዖ፡ ናብ ቅድሚኦም ወጸ።
9እቶም ፍልስጥኤማውያን ከኣ ናብቲ ለሰ ረፋይም ኣትዮም፡ ኣብኡ ይወርሩ ነበሩ። 10ዳዊት ድማ ንኣምላኽ፡ ንፍልስጥኤማውያን ክድይቦምሲ፡ ኣብ ኢደይዶ ትህበኒ ኢኻ ኢሉ ሓተቶ። እግዚኣብሄር ከኣ፡ ንኣታቶም ኣብ ኢድካ ኽህበካ እየ እሞ፡ ደይቦም፡ በሎ። 11ናብ በዓል-ጰራጺም ደየቡ፡ ዳዊት ከኣ ኣብኣ ሰዓሮም። ዳዊት ድማ፡ ማይ ከም ዝብተን፡ ኣምላኽ ንጸላእተይ ብኢደይ በተኖም፡ በለ። ስለዚ ስም እታ ቦታ እቲኣ በዓል-ጰራጺም ኣውጽኡላ። 12ኣብኣ ድማ ንኣማልኽቶም ሓደጉ፡ ዳዊት ኣዚዙ ኸኣ ብሓዊ ኣንደድዎም።
13እቶም ፍልስጥኤማውያን ግና ከም ብሓድሽ ኣብቲ ለሰ ወረሩ። 14ዳዊት ድማ መሊሱ ንኣምላኽ ሓተቶ፡ ኣምላኽ ከኣ መለሰሉ፡ ብድሕሪኦም ኣይትደይብ፡ ካባታቶም ደኣ ዙር እሞ ኣብ መንጽር እቲ ሰጋሉ እተዎም። 15ክኸውን ድማ እዩ፡ ኣብቲ ኣራእስ ስጋሉ ናይ ዝረግጽ ደሃይ ምስ ሰማዕካ፡ ኣምላኽ ነቲ ሰራዊት ፍልስጥኤማውያን ክወቕዖ ቐቅድሜኻ ወጺኡ እዩ እሞ፡ ሽዑ ንውግእ ውጻእ። 16ዳዊት ከኣ ከምቲ ኣምላኽ ዝኣዘዞ ገበረ፡ ነቲ ሰራዊት ፍልስጥኤማውያን ካብ ጊብዖን ክሳዕ ጌዘር ሰዓርዎም። 17ወረ ዳዊት ከኣ ኣብ ኲለን ሃገራት ወጸ፡ እግዚኣብሄር ድማ ብዛዕባኡ ፍርሃት ኣብ ልዕሊ ዂሎም ኣህዛብ ገበሮ።
1ይ ዜና ምዕራፍ 15
1ዳዊት ድማ ኣብታ ኸተማ ዳዊት ንርእሱ ኣባይቲ ሰርሐ፡ ነቲ ታቦት ኣምላኽ ዝኸውን ቦታ ኣዳልዩ ኸኣ ንእኡ ድንኳን ተኸለሉ። 2ሽዑ ዳዊት፡ ንታቦት ኣምላኽ ክጾሩ ኣብ ቅድሚኡውን ንሓዋሩ ኸገልግሉ፡ እግዚኣብሄር ንሌዋውያን ሓርይዎም እዩ እሞ፡ ስለዚ ንሳቶም እምበር፡ ካልእ ሰብ ንታቦት ኣምላኽ ክጾሩ ኣብ ቅድሚኡውን ንሓዋሩ ኸገልግሉ፡ እግዚኣብሄር ንሌዋውያን ሓርይዎም እዩ እሞ፡ ስለዚ ንሳቶም እምበር፡ ካልእ ንታቦት ኣምላኽ ኣይጽሮ፡ በለ። 3ዳዊት ከኣ ንታቦት እግዚኣብሄር ናብታ ዘሳናደወሉ ቦታ ምእንቲ ኸደይቦ፡ ንብዘሎ እስራኤል ኣብ የሩሳሌም ኣከቦ። 4ዳዊት ድማ ንደቂ ኣሮንን ንሌዋውያንን ኣከቦም። 5ካብ ደቂ ቀሃት፡ ኡሪኤል እቲ ሓለቓን ኣሕዋቱን፡ ሚእትን ዕስራን፡ 6ካብ ደቂ መራሪ፡ ዓሳያ እቲ ሓለቓን ኣሕዋቱን፡ ክልተ ሚእትን ዕስራን፡ 7ካብ ደቂ ጌርሾም፡ ዮኤል እቲ ሓለቓን ኣሕዋቱን፡ ሚእትን ሰላሳን፡ 8ካብ ደቂ ኤሊጻፋን፡ ሸማዕያ እቲ ሓለቓን ኣሕዋቱን፡ ክልተ ሚእቲ፡ 9ካብ ደቂ ሔብሮን፡ ኤሊኤል እቲ ሓለቓን ኣሕዋቱን፡ ሰማንያ፡ 10ካብ ደቂ ዑዚኤል፡ ኣሚናዳብ እቲ ሓላቓን ኣሕዋቱን፡ ሚእትን ዓሰርተው ክልተን።
11ዳዊት ድማ ንጻዶቅን ንኣብያታርን፡ እቶም ካህናት፡ ነቶም ሌዋውያን፡ ንኡሪኤልን ዓሳያን ዮኤልን ሸማዕያን ኤሊኤልን ኣሚናዳብን ናብኡ ጸውዖም። 12-13ንኣታቶም ድማ በሎም፡ ንስኻትኩም ኣራእስ መማይ ቤት ኣቦታት ሌዋውያን ኢኹም። በቲ ቐዳማይ ግዜ ንስኻትኩም ስለ ዘይጸወርኩምዎ፡ ከምቲ ስርዓት ጌርና ኸኣ ስለ ዘይደሌናዮ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ሓደ ምስባር ኣባና ገበረ፡ ስለዚ ነቲ ታቦት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ናብታ ንእኡ ኢለ ዘሳናዶኹሉ ቦታ ኸተደይብዎ፡ ንስኻትኩምን ኣሕዋትኩምን ተቐደሱ። 14ሽዑ እቶም ካህናትን ሌዋውያንን ነቲ ታቦት እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፡ ምእንቲ ኸደይብዎ፡ ተቐደሱ። 15እቶም ደቂ ሌዋውያን ከኣ፡ ሙሴ ኸምቲ ቓል እግዚኣብሄር ዝበሎ ገይሩ ኸም ዝኣዘዞ፡ ነቲ ታቦት ኣምላኽ ብመሰላታት ኣብ መናኩቦም ጾርዎ።
16ዳዊት ድማ ነቶም ሓላቑ ሌዋውያን ነሕዋቶም መዘምራን ብመሳርያ መዚክ፡ ብመሰንቆን፡ ብበገናን ብጸናጽልን ተሓጒሶም እናቓነዩን ድምጾም ዓው እናበሉን ኣብኡ ከቑምዎም ተዛረቦም። 17ሽዑ እቶም ሌዋውያን ንሄማን ወዲ ዮኤልን ካብ ኣሕዋቱ ኸኣ ኣሳፍ ወዲ በረክያን ካብ ኣሕዋቶም ደቂ መራሪውን ኤታን ወዲ ቁሻያ ኣቘሙ። 18ምሳታቶም ከኣ ኣብቲ ኻልኣይ መዓርግ ኣሕዋቶም፡ ዘካርያስን ቤንን ያዓዚኤልን ሸሚራሞትን የሒኤልን ዑኒን ኤሊኣብን በናያን ማዓያን ማዓሳያን ማቲቱያን ኤሊፌሌሁን ሚቅኔያን ዖቤድ-ኤዶምን የዒኤልን፡ ሓለውቲ ኣፍ ደገ። 19እቶም መዘምረን፡ ሄማንን ኣሳፍን ኤታንን፡ ድማ ብጸናጽል ኣስራዚ የቓንዩ ነበሩ። 20ዘካርያስን ዓዚኤልን ሸሚራሞትን የሒኤልን ዑኒን ኤሊኣብን ማዓሰያን በናያን ከኣ ብመሰንቆ ንዓለሞት። 21ማቲትያን ኤሊፌሌሁን ሚቅኔያን ዖቤድ-ኤዶምን የዒኤልን ዓዛዝያን ድማ ብበገና ንሸሚኒት ክመርሑ። 22ቀናንያ ሓለቓ ሌዋውያን ከኣ ኣብ መዝሙር መራሒ እዩ። ንሱ በዚ ፈላጥ ነበረ እሞ፡ መዝሙር የስተምህር ነበረ። 23በረክያን ኤልቃናን ድማ ሓለውቲ ደገ ታቦት ነበሩ። 24ድማ ሸባንያን ዮሳፋጥን ንታንኤልን ዓማሳይን ዘካርያስን በናያን ኤሊዔዘርን፡ እቶም ካህናት፡ ኣብ ቅድሚ ታቦት ኣምላኽ መለኸት ይነፍሑ ነበሩ። ዖቤድ-ኤዶምን የሒያን ከኣ ሓለውቲ ደገ ታቦት ነበሩ። 25ዳዊትን ዓበይቲ እስራኤልን ሓላቑ ሽሕን ከኣ ነቲ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ካብ ቤት ዖቤድ-ኤዶም ብሓጐስ ከደይብዎ ኸዱ። 26ኰነ ድማ፡ ነቶም ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ዝጾሩ ሌዋውያን፡ ኣምላኽ ምስ ሓገዞም፡ ሾብዓተ ኣርሓን ሾብዓተ ድዑልን ሰውኡ። 27ዳዊት ድማ ባርኖስ ጽሩይ ልሕጺ እንጣጢዕ ተኸዲኑ ነበረ፡ ከምኡ ኸኣ እቶም ታቦት ዝጾሩ ዂሎም ሌዋውያንን እቶም ዘመርትን፡ ቀናንያ እቲ መራሕ መዝሙር ከኣ ምስቶም ዘመርቲ፡ ንዳዊት ድማ ኤፎድ ልሕጺ እንጣጢዕ ኣብ ልዕሊኡ ነበሮ። 28ሽዑ ዂሎም እስራኤል ነቲ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ብእልልታን ብቓና መለኸትን ብእምብልታን ብጸናጽልን ብመሰንቆን ብበገናን እናድመቑ ኣደየብዎ። 29ኰነ ድማ፡ እቲ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ናብ ከተማ ዳዊት ክኣቱ ኸሎ፡ ሚካል ጓል ሳኦል ብመስኰት ተቐልቂላ ንንጉስ ዳዊት ክስዕስዕን ክሰራሰርን ረኣየቶ እሞ ብልባ ነዓቐቶ።
1ይ ዜና ምዕራፍ 16
1ነቲ ታቦት ኣምላኽ ኣእተውዎ፡ ኣብ ማእከል እቲ ዳዊት ንእኡ ኢሉ ዝተኸሎ ድንኳን ከኣ ኣንበርዎ። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ድማ ዝሓርር መስዋእትን መስዋእቲ ምስጋናን ኣቕረቡ። 2ዳዊት ከኣ ዝሓርር መስዋእትን መስዋእቲ ምስጋናን ኣዕሪጉ ምስ ወድአ፡ ነቲ ህዝቢ ብስም እግዚኣብሄር ባረኾ። 3ንነፍሲ ወከፍ ሰብ እስራኤል ድማ ካብ ሰብኣይ ክሳዕ ሰበይቲ፡ ንነፍሲ ወከፍ ሓደ ቕጫን ሓደ ቑራጽ ስጋን ሓደ ጐጎ ዘቢብን መቐሎም።
4ድማ ንገለ ኻብቶም ሌዋውያን ኣብ ቅድሚ ታቦት እግዚኣብሄር ከገልግሉን ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ክዝክርዎን ክውድስዎን ከመስግንዎን ስርዔ፡ 5ኣሳፍ እቲ ሓለቓ፡ እቲ ኻልኣዩ ኸኣ ዘካርያስ፡ የዒኤልን ሸሚራሞትን የሒኤልን ማቲትያን ኤሊኣብን በናያን ዖቤድ-ኤዶምን የዒኤልን መሰንቆን በገናን፡ ኣሳፍ ከኣ ጸናጽልን ኣድሚቖም ከቓንዩ፡ 6በናያን ያሓዚኤልን እቶም ካህናት ድማ መለኸት ሒዞም፡ ኲሉግዜ ኣብ ቅድሚ ታቦት ኪዳን ኣምላኽ ክዀኑ ሰርዔ።
7ዳዊት ከኣ በታ መዓልቲ እቲኣ ኣሳፍን ኣሕዋቱን ንእግዚኣብሄር ከመስግንዎ ቐዳማይ ግዜ ኣዘዘ።
8ንእግዚኣብሄር ኣመስግንዎ፡ ስሙ ጸውዑ፡
ግብርታቱ ኣብ መንጎ ህዝብታት ንገሩ።
9ንእኡ ዘምሩ፡ ቃንዩሉ፡
ብዛዕባ ዂሉ ተኣምራቱ ተዛራረቡ።
10በቲ ቅዱስ ስሙ ተኸበሩ፡
ልብ እቶም ንእግዚኣብሄር ዝደልዩ ይተሓጐስ።
11ንእግዚኣብሄርን ስልጣኑን ድለዩ፡
ገጹ ዂሉግዜ ድለዩ።
12ነቲ ዝገበሮ ተኣምራቱን፡
ንትእምርትታቱን ፍርድታት ኣፉን ዘክሩ።
13ኣቱም ዘርኢ እስራኤል ባርያኡ፡
ደቂ ያእቆብ ሕሩያቱ፡
14ንሱ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እዩ፡
ፍርድታቱ ኣብ ብዘላ ምድሪ ኣሎ።
15ኪዳኑ ንዘለኣለም ዘክሩ።
ነቲ ንሽሕ ወለዶ ዝኣዘዞ ቓል፡
16ነቲ ምስ ኣብርሃም ዝኣተዎ ኺዳን፡
ነቲ ንይስሃቅ ዝመሓለሉ ማሕላ ዘክሩ።
17ንሱ ኣብ ያእቆብ ሕጊ፡ ኣብ እስራኤል ድማ
ናይ ዘለኣለም ኪዳን ገይሩ ኣቘሞ፡
18ከምዚ ኢሉ፡ ምድሪ ከነኣን ንኣኻ ኽህብ እየ፡
ግደ ርስትኹም ክትከውን እያ።
19ሽዑ ብቑጽሪ ሒዶት ነበርኩም፡
ኣብኣ ሒዶትን ስደተኛታትን ነበርኩም።
20ካብ ህዝቢ ናብ ህዝቢ፡
ካብ ሓንቲ መንግስቲ ኸኣ ናብ ካልእ ህዝቢ ሓለፉ።
21ሓደ ሰብ እኳ ኽገፍዖም ኣይሓደገን፡
ምእንታኦም ድማ ንነገስታት ገሰጸ።
22ንቕቧተይ ኣይትቕረብዎም፡
ንነብያተይ ከኣ ክፋእ ኣይትግበርዎም።
23ኲሉ ምድሪ፡ ንእግዚኣብሄር ዘምሩ፡
ካብ መዓልቲ ንመዓልቲ ምድሓኑ ኣበስሩ።
24ኣብ ማእከል ኣህዛብ ክብረቱ፡
ኣብ ኲሎም ህዝብታት ተኣምራቱ ንገሩ።
25እግዚኣብሄርሲ ዓብዪ እዩ፡
ብዙሕ ምስጉን ከኣ እዩ።
ኣብ ልዕሊ ዂሎም ኣማልኽቲ ድማ ዘፍርህ እዩ።
26ኲሎም ኣማልኽቲ ኣህዛብሲ ጣኦታት እዮም፡ እግዚኣብሄር ግና ሰማያት ገበረ።
27ግርማን ክብርን ኣብ ቅድሚ ገጹ፡
ስልጣንን ሓጐስን ኣብ ስፍራኡ ኣሎ።
28ኣቱም ዓሌታት ኣህዛብ፡ ንእግዚኣብሄር ሃቡ፡ ክብርን ስልጣንን ንእግዚኣብሄር ሃብዎ።
29ንእግዚኣብሄር ናይ ስሙ ኽብረት ሃብዎ፡
መባእ ኣቕርቡ፡ ኣብ ቅድሚ ገጹውን ምጹ፡
ንእግዚኣብሄር ብቕዱስ ኣልባሳት ስገዱሉ።
30ኲሉኹም ሃገራት፡ ኣብ ቅድሚኡ ኣንቀጥቅጡ፡
ዓለም ጸኒዓ ቘይማ እያ፡ኣይትናወጽን ከኣ።
31ሰማያት ባህ ይበል፡ ምድሪውን ትተሓጐስ፡
ኣብ ኣህዛብ ድማ፡ እግዚኣብሄር ነጊሱ ኣሎ፡ይበሉ።
32ባሕርን ምልኣቱን ደሃይ ይሃቡ፡
መሮርን ኣብኡ ዘሎ ዂሉን ይተሓጐስ።
33ንምድሪ ኽዳንያ ይመጽእ ኣሎ እሞ፡
ሽዑ ኣእዋም ዱር
ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እልል ይበላ።
34ጸጋኡ ኸኣ ንዘለኣለም እዩ እሞ፡ ኣመስግንዎ። እግዚኣብሄር ሰናይ እዩ፡
35በሉውን፡ ንቕዱስ ስምካ ምእንቲ ኽንውድሶ፡ ብምውዳስካውን ክንከብርሲ፡
ኣታ ኣምላኽ ምድሓንና፡ ኣድሕነና፡
ካብ ኣህዛብ ከኣ ኣኻኽበና ኣናግፈናና።
36እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፡
ካብ ዘለኣለም ብሩኽ ይኹን።
ኲሎም ህዝቢ ድማ፡
ኣሜን፡ ኢሎም ንእግዚኣብሄር ኣመስገንዎ።
37ከምቲ ነናይ መዓልቲ ስራሕ ዘድሊ፡ ኣብ ቅድሚ ታቦት ኲሉግዜኸገልግሉ፡ ድዊት ንኣሳፍን ነሕዋቱን ኣብ ቅድሚ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ሓደጎም። 38ዖቤድ-ኤዶምን ኣሕዋቶምን ድማ፡ ስሳን ሾሞንተን። ዖቤድኤዶም ወዲ የዲቱንን ሖሳን ከኣ ሓለውቲ ደገ ክዀኑ፡ 39ንኻህን ጻዶቅን ነቶም ኣሕዋቱ ኻህናትን ከኣ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብቲ ናይ ጊብዖን በሪኽ ዘሎ ማሕደር እግዚኣብሄር ኰይኖም፡ 40ከምቲ ኣብቲ ንእስራኤል ዝኣዘዞ ሕጊ እግዚኣብሄር እተጻሕፈ ዘሎ ዂሉ፡ ኲሉግዜ፡ ብጊሓትን ምሸትን፡ ኣብቲ መሰውኢ ምሕራር ንእግዚኣብሄር ዝሓርር መስዋእቲ ኸዕርጉሉ ኣመዘዞም። 41ምሳታቶም ድማ ሄማንን የዱቱንን እቶም ዝተረፉ ብስም እተሰምዩ ሕሩያትን ንእግዚኣብሄር፡ ምሕረቱ ንዘለኣለም ስለ ዝዀነ፡ ከመስግንዎ። 42ምሳታቶምውን ሄማንን የዱቱንን ምስ መለኸታትን ጸናጽላትን ምስቲ መሳርያታት ሙዚክ ኣምላኽን ነቶም ኣድሚቖም ዘቓንዩ ኣመዘዞም፡ ንደቂ የዱቱን ከኣ ሓለውቲ ደገ ገበሮም።
43ብዘሎ እቲ ህዝቢ ድማ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ናብ በቤቱ ኸደ። ዳዊት ከኣ ንቤቱ ኽባርኻ ተመልሰ።
1ይ ዜና ምዕራፍ 17
1ኰነ ድማ፡ ዳዊት ኣብ ቤቱ ምስ ተቐመጠ፡ ዳዊት ንነብዪ ናታን፡ እንሆ፡ ኣነ ኣብ ቤት ጽሕዲ ተቐሚጠ ኣሎኹ፡ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ግና ኣብ ትሕቲ መጋረጃታት ኣሎ፡ በሎ። 2ናታን ከኣ ንዳዊት፡ ኣምላኽ ምሳኻ እዩ እሞ፡ ኣብ ልብኻ ዘሎ ዂሉ ግበር፡ በሎ። 3ኰነ ድማ፡ በታ ለይቲ እቲኣ ኸምዚ ዝብል ቃል ኣምላኽ ናብ ናታን መጾ፡ 4ኪድ እሞ ንዳዊት ባርያይ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ በሎ፡ ኣነ ዝነብረላ ቤት ንስኻ ኣይክትሰርሓለይን ኢኻ። 5ካብታ ንእስራኤል ዘደየብኩላ መዓልቲ ኽሳዕ ሎም መዓልቲ ኻብ ድንኳን ናብ ድንኳን፡ ካብ ማሕደሪውን ናብ ማሕደሪ እኸይድ ነበርኩ እምበር፡ ኣብ ቤትሲ ኣይነበርኩን። 6ኣብቲ ምስ ብዘሎ እስራኤል እተመላለስኩሉ፡ ንሓደ ኻብቶም ንህዝበይ ክጓስዩ ንዝኣዘዝክዎም መሳፍንቲ እስራኤል፡ ስለምንታይ ቤት ጽሕዲ ዘይሰራሕኩምለይ ኢለዶ ተዛረብኩ 7ሕጂ ኸኣ ንባርያይ ዳዊት ከምዚ በሎ፡ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤል መስፍን ክትከውንሲ፡ ኣነ ኻብቲ ምጒሳይ ካብ ድሕሪ እተን ኣባጊዕ ኣምጻእኩኻ። 8ኣብ ዝኼድካዮ ዘበለ ኸኣ ምሳኻ ነበርኩ፡ ንዂሎም ጸላእትኻውን ካብ ቅድሜኻ ኣጽነትክዎም። ከም ስም እቶም ኣብ ምድሪ ዘለው ዓበይቲ ድማ ስም ክገብረልካ እየ፡ 9-10ንህዝበይ እስራኤልውን ቦታ ኽዳልወሉ፡ ድሕሪ ደጊም ከኣ ከይነቓነቕ፡ ኣብታ ቦታ ኽተኽሎ እየ። ሽዑ ኸምቲ ኻብተን ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤል ፈረዲ ክዀኑ ዝኣዘዝኩለን መዓልትታት፡ እቶም ደቂ ዓመጽቲ ኸምቲ ናይ ቀደም ገይሮም መሊሶም ኣይከጨንቕዎምን እዮም። ንዂሎም ጸላእትኻ ድማ ከጥቅዖም እየ። እግዚኣብሄር ደኣ ንኣኻ ቤት ከም ዝሰርሓልካ፡ እነግረካ ኣሎኹ። 11ክኸውን ከኣ እዩ፡ መዓልትታትካ ምስ መልኣ፡ ናብ ኣቦታትካውን ምስ ከድካ፡ ብድሕሬኻ ነቲ ካብ ደቅኻ ዝኸውን ዘርእኻ ልዕል ከብሎ እየ፡ መንግስቱ ድማ ከጽንዓ እየ። 12ንሱ ንኣይ ቤት ክሰርሓለይ እዩ፡ ኣነ ኸኣ ዝፋኑ ንዘለኣለም ከጽንዓሉ እየ። 13ኣነ ኣቦ ክዀኖ እየ፡ ንሱ ድማ ወዲ ክዀነኒ እዩ። ምሕረተይ ከኣ፡ ከምቲ ኻብቲ ኣብ ቅድሜኻ ዝነበረ ዝመለስክዋ፡ ካብኡ ኣይክመልሳን እየ። 14ኣብ ቤተይን ኣብ መንግስተይን ደኣ ንዘለኣለም ከቑሞ እየ፡ ዝፋኑ ኸኣ ንዘለኣለም ክጸንዕ እዩ። 15ከም ኲሉ እዚ ዘረባ እዝን ከም ኲሉ እዚ ራእይ እዝን ናታይ ከምኡ ገይሩ ንዳዊት ተዛረቦ።
16ሽዑ ንጉስ ዳዊት ኣትዩ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ተቐሚጡ በለ፡ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ክሳዕ ክንድዚ ዘብጻሕካንስ፡ ኣነ መን እየ ቤተይከ እንታይ እያ 17ዎ ኣምላኽ፡ እዚ ድማ ንእሽቶ ዀይኑ ተራእዩካስ፡ ብዛዕባ ቤት ባርያኻ ብርሑቕ ዝኸውን ትዛረብ ኣሎኻ። ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ልዕል ዝበለ መዓርግ ከም ንዘለዎ ሰብ ጌርካ ድማ ርኤኻኒ። 18ንባርያኻስ ትፈልጦ ኣሎኻ እሞ፡ ደጊም ዳዊት ብዛዕባ እዚ ኽብረት ባርያኻ እንታይ ክውስኽ እዩ 19ዎ እግዚኣብሄር፡ እዚ ዂሉ ዓበይቲ ነገራት ከተፍልጥሲ፡ ምእንቲ ባርያካ ከም ልብኻን ኢልካ ዂሉ እዚ ዕቤት እዚ ገበርካ። 20ዎ እግዚኣብሄር፡ በቲ በእዛንና ዝሰማዕናዮ ዂሉ፡ ከማኻ የልቦን፡ ብጀካኻ ድማ ኣምላኽ የልቦን። 21ከብ ቅድሚ እቲ ኻብ ግብጺ ዘድሓንካዮ ህዝብኻ ኣህዛብ ብምስጓጒካ፡ በዚ ዓብዪን ዘፍርህን ነገር ንኣኻ ስም ክትገብርሲ፡ ህዝቡ ምእንቲ ክኸውን፡ ኣምላኽ ባዕሉ ኸድሕኖ ዝኸደ፡ ኣብ ምድሪኸ ኸም ህዝብኻ እስራኤል ዝበለ ሓደ ህዝቢዶ ኣሎ እዩ 22ህዝብኻ እስራኤል ከኣ ንዘለኣለም ንኣኻ ህዝቢ ክኸውን ገበርካዮ፡ ንስኻ ድማ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ኣምላኹ ዀንካሉ። 23ሕጂ ኸኣ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ነቲ ብዛዕባ ባርያኻን ብዛዕባ ቤቱን እተዛረብካዮ ነገር ንዘለኣለም ይጽናዕ ኢልካ፡ ከምቲ እተዛረብካዮ ግበር። 24ሽዑ፡ እግዚኣብሄር፡ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡ ንሱ ንእስራኤል ኣምላኽ እዩ፡ እናተባህለ ስምካ ንዘለኣለም ይጽናዕን ይዕበን። እታ ቤት ዳዊት ባርያኻ ድማ ኣብ ቅድሜኻ ጸኒዓ ኣላ። 25ዎ ኣምላኸይ፡ ንባርያኻ ቤት ከም እተሰርሓሉስ፡ ንስኻ ኣብ ኣእዛኑ ገሊጽካሉ ኢኻ እሞ፡ ስለዚ ባርያኻ ኣብ ቅድሜኻ ኽጽሊ ኣብ ልቡ ረኸበ። 26ሕጂ ድማ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ንስኻ ኣምላኽ ኢኻ፡ ንባርያኻ ኸኣ እዚ ጽቡቕ ነገር እዚ ኣተስፎኻዮ። 27ሕጂ ድማ እቲ ንስኻ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ዝባረኽካዮ ንዘለኣለም ብሩኽ እዩ እሞ፡ ቤት ባርያኻ ንዘለኣለም ኣብ ቅድሜኻ ምእንቲ ኽትነበር፡ ክትባርኻ ፈቲኻ ኣሎኻ።
1ይ ዜና ምዕራፍ 18
1ድሕርዚ ኸኣ ዀነ፡ ዳዊት ንፍልስጥኤማውያን ስዒሩ ኣጥቅዖም፡ ንጋትን ዓድታታን ድማ ካብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ወሰደን። 2ንሞኣብውን ሰዓሮ እሞ፡ ሞኣባውያን ንዳዊት ገላውኡ ዀይኖም ገጽ በረኸት ኣምጽኡሉ። 3ዳዊት ድማ ንስልጣኑ ኣብ ርባ ኤፍራጥስ ከጽንዖ ምስ ከደ፡ ንሃዳአዔዘር ንጉስ ጾባ ኣብ ሓማት ሰዓሮ። 4ዳዊት ከኣ ካብኡ ሽሕ ሰረገላን ሾብዓተ ሽሕ ፈረሰኛን ዕስራ ሽሕ ኣጋራይ ሰብን ወሰደ። ዳዊት ድማ ንዂሎም ኣፍራስ ሰረገላ ኣእጋሮም ቀንጀቦም፡ ካብኦም ግና ሚእቲ ፈረስ ሰረገላ ኣትረፈ።
5እቶም ናይ ደማስቆ ሶርያውያን ከኣ ንሃዳርዔዘር ንጉስ ጾባ ኽረድኡ ኢሎም ምስ መጹ፡ ዳዊት ካብቶም ሶርያውያን ዕስራን ክልተን ሽሕ ሰብኣይ ቀተለ። 6ዳዊት ድማ ኣብ ናይ ደማስቆ ሶርያ ሓለውቲ ኣቐመጠ፡ እቶም ሶርያውያን ከኣ ንዳዊት ገላውኡ ዀይኖም ገጽ በረኸት ኣምጽኡሉ። እግዚኣብሄር ድማ ንዳዊት ኣብ ዝኸዶ ዘበለ ዲል ሃቦ። 7ዳዊት ከኣ ነቲ ኣብ ገላው ሃዳርዔዘር ዝነበረ ዋላቱ ወርቂ ወሰዶ፡ ናብ የሩሳሌም ድማ ኣምጽኦ። 8ዳዊት ከኣ ካብ ጢብሓትን ካብ ኩንን፡ ከተማታት ሃዳርዔዘር፡ ኣዝዩ ብዙሕ ኣስራዚ ወሰደ። ብእኡ ሰሎሞን ነቲ ባሕሪ ኣስራዝን ነቲ ኣዕኑድን ነቲ ኣቓሑ ኣስራዝን ገበረ።
9ቶዑ ንጉስ ሓማት ድማ ንዳዊት ንብዘሎ ሰራዊት ሃዳርዔዘር ንጉስ ጾባ ኸም ዝሰዓሮ ምስ ሴምዐ፡ 10ሃዳርዔዘር ምስ ቶዑ ተዋጊኡ ነበረ እሞ፡ ንንጉስ ዳዊት ብዛዕባ ጥዕናኡ ኽሓቶን ንሃዳርዔዘር ተዋኣጊኡ ስለ ዝሰዓሮ ኸኣ ክምርቖን፡ ንወዱ ሃዶራም ለኣኸሉ። ምስኡ ድማ ኲሉ ዓይነት ኣቓሑ ወርቅን ብሩርን ኣስራዝን ነበረ። 11ነዚውን ንጉስ ዳዊት ምስቲ ኻብ ኲሎም ኣህዛብ፡ ካብ ኤዶምን ካብ ሞኣብን ካብ ደቂ ዓሞንን ካብ ፍልስጥኤማውያንን ካብ ኣማሌቅን፡ ዘምጽኦ ብሩርን ወርቅን ንእግዚኣብሄር ቀደሰሉ።
12ኣቢሻይ ወዲ ጽሩያ ድማ ኣብ ለሰ ጨው ካብ ኤዶማውያን ዓሰርተው ሾሞንተ ሽሕ ቀተለ። 13ኣብ ኤዶም ከኣ ሓለውቲ ኣቐመጠ፡ ኲሎም ኤዶማውያን ድማ ንዳዊት ገላውኡ ዀኑ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ንዳዊት ኣብ ዝኸዶ ዘበለ ዲል ሃቦ።
14ዳዊት ድማ ንብዘሎ ህዝቡ ፍርድን ጽድቅን እናገበረ፡ ኣብ ልዕሊ ዂሉ እስራኤል ነገሰ። 15ዮኣብ ወዲ ጽሩያ ድማ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ነበረ። የሆሻፋጥ ወዲ ኣሒሉድ ከኣ ጸሓፍ ዛንታ ነበረ። 16ጻዶቅ ወዲ ኣሒጡብን ኣቢሜሌክ ወዲ ኣብያታርን ድማ ካህናት ነበሩ፡ ሻውሻ ኸኣ ጸሓፊ ነበረ። 17በናያ ወዲ የሆያዳ ድማ ኣብ ልዕሊ ክረታውያንን ጵለታውያንን ነበረ። ደቂ ዳዊት ከኣ ኣብ ኢድ ንጉስ ሓላቑ ነበሩ።
1ይ ዜና ምዕራፍ 19
1ድሕሪዚ ድማ ዀነ፡ ናሓሽ ንጉስ ደቂ ዓሞን ሞተ፡ ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ነገሰ። 2ዳዊት ድማ፡ ኣቦኡ ንኣይ ምሕረት ገይሩለይ ነይሩ እዩ እሞ፡ ንሓኑን ወዲ ናሓሽ ምሕረት ክገብረሉ፡ በለ። ዳዊት ከኣ ብዛዕባ ኣቦኡ ኸጸናንዖ ልኡኻት ሰደደሉ። እቶም ገላው ዳዊት ከኣ ንሓኑን ከጸናንዕዎ ናብ ሃገር ደቂ ዓሞን ኣተው። 3እቶም መሳፍንቲ ደቂ ዓሞን ግና ንሓኑን፡ ዳዊት ነቦኻ ኣኽቢሩዶ መጸናናዕቲ ዝሰደደልካ ይመስለካ ኣሎ እዞም ገላውኡ ነዛ ሃገር ምእንቲ ኽምርምርዋን ከጥፍእዋን ክስልይዋን ደይዀኑን ናባኻ ዝመጹ፡ በልዎ። 4ሽዑ ሓኑን ንገላው ዳዊት ወሲዱ ላጸዮም፡ ፈረቓ ኽዳውንቶም ከኣ ከክሳዕ መዓኰሮም ቈሪጹ ሰደዶም። 5ነቶም ሰባት ዝዀኖም ነገር ከኣ ገለ ሰባት ከይዶም ንዳዊት ነገርዎ። ንሱ ድማ፡ እቶም ሰባት ብዙሕ ሓፊሮም ነበሩ እሞ፡ ዝቕበልዎም ሰደደሎም። ንጉስ ከኣ፡ እቲ ጭሕምኹም ክሳዕ ዝበቁል ኣብ ያሪኮ ጸኒሕኩም ተመለሱ፡ በሎም።
6ደቂ ዓሞን ድማ ኣብ ዳዊት ብሰሪ ርእሶም ከም እተጸልኡ፡ ምስ ረኣዩ፡ ሓኑንን ደቂ ዓሞንን ካብ ኣራም-ናሃራዪምን ካብ ኣራም-ማዓካን ካብ ጾባን ሰረገላታትን ፈረሰኛታትን ክካረዩስ፡ ሽሕ ታለንት ብሩር ሰደዱ። 7ሽዑ ሰላሳን ክልተን ሽሕ ሰረገላን ንንጉስ መዓካን ንህዝቡን ተኻረዩ፡ እዚኣቶም መጺኦም ኣብ ቅድሚ ሜድባ ሰፈሩ፡ ደቂ ዓሞንውን ካብ ከተማታቶም ተኣኪቦም ክዋግኡ መጹ። 8ዳዊት ከኣ ምስ ሰምዖ፡ ንዮኣብን ንብዘሎ እቲ ሰራዊት ጀጋኑን ሰደደ። 9ደቂ ዓሞን ድማ ወጺኦም ኣብ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ ንውግእ ተሰለፉ። እቶም ዝመጹ ነገስታት ግና ንበይኖም ኣብ መሮር ነበሩ። 10ዮኣብ ከኣ እቲ ውግእ ብቕድሚትን ብድሕሪትን ከም ዝዀኖ ምስ ረኣየ፡ ካብ ኲሎም እቶም ሕሩያት ኣብ እስራኤል ሓርዩ፡ ኣብ ቅድሚ ሶርያውያን ኣሰለፎም። 11እቲ ዝተረፈ ህዝቢ ኸኣ ኣብ ኢድ ኣቢሻይ ሓው ገበሮ፡ ንደቂ ዓሞን ክቃባበሉ ኸኣ ተሰለፉ። 12በለ ድማ፡ ሶርያውያን ካባይ እንተ ሓየሉ፡ ንስኻ ርድኣኒ፡ ደቂ ዓሞን ካባኻ እንተ ሓየሉ ኸኣ፡ ኣነ ኽረድኣካ እየ። 13ጽናዕ፡ ምእንቲ ህዝብናን ምእንቲ ኸተማታት ኣምላኽናን ኢልና ድማ ንጽናዕ፡ እግዚኣብሄር ከኣ እቲ ጽቡቕ ኰይኑ እተራእዮ ይግበር። 14ሽዑ ዮኣብን እቲ ምስኡ ዝነበረ ህዝብን ንሶርያውያን ክዋግእዎም ናብ ቅድሚኦም ቀረቡ፡ ንሳቶም ከኣ ካብ ቅድሚኡ ሃደሙ። 15እቶም ደቂ ዓሞን ድማ ሶርያውያን ከም ዝሃደሙ ምስ ረኣዩ፡ ንሳቶም ከኣ ካብ ቅድሚ ኣቢሻይ ሓው ሃዲሞም ናብታ ኸተማ ኣተው። ሽዑ ዮኣብ ናብ የሩሳሌም ኣተወ።
16ሶርያውያን ከኣ ኣብ ቅድሚ እስራኤል ከም እተሳዕሩ ምስ ረኣዩ፡ ልኡኻት ሰደዱ እሞ፡ ነቶም ኣብ ስግር ርባ ዝነበሩ ሶርያውያን ኣውጽእዎም፡ ሾፋኽ ናይ ሃዳርዔዘር ሓለቓ ሰራዊት ከኣ መርሖም። 17እዚ ንዳዊት ምስ ነገርዎ ድማ፡ ንብዘሎ እስራኤል ኣኽቲቱ፡ ዮርዳኖስ ተሳገረ፡ ናብኦም ቀሪቡ ኸኣ ኣብ ቅድሚኦም ተሰለፈ። ዳዊት ነቶም ሶርያውያን ንውግእ ክቃባበሎም ምስ ተሰለፈ ኸኣ፡ ንሳቶም ምስኡ ተዋግኡ። 18እቶም ሶርያውያን ድማ ካብ ቅድሚ እስራኤል ሃደሙ። ዳዊት ከኣ ካብ ሶርያውያን ሰባት ናይ ሾብዓተ ሽሕ ሰረገላን ኣርብዓ ሽሕ እግረኛ ሰብን ቀተለ። ንሾፋኽ ሓለቓ ሰራዊትውን ቀተሎ። 19እቶም ገላው ሃዳርዔዘር ድማ ኣብ ቅድሚ እስራኤል ከም እተሳዕሩ ምስ ረኣዩ፡ ምስ ዳዊት ተዓርቁ እሞ ተገዝእዎ። እቶም ሶርያውያን ከኣ ድሕሪ ደጊም ንደቂ ዓሞን ክረድእዎም ኣይፈተውን።
1ይ ዜና ምዕራፍ 20
1ኰነ ድማ፡ ዓመት ምስ ሓለፈ፡ በቲ ነገስታት ንውግእ ዝወጽሉ ግዜ፡ ዮኣብ ሰራዊት ውግእ ሒዙ ንሃገር ደቂ ዓሞን ኣጥፍኣ፡ መጺኡ ኸኣ ንራባ ኸበባ። ዳዊት ግና ኣብ የሩሳሌም ይቕመጥ ነበረ። ዮኣብ ከኣ ንራባ ሰዓራ እሞ ኣፍረሳ። 2ዳዊት ድማ ነታ ዘውዲ ንጉሶም ካብ ልዕሊ ርእሱ ወሰዳ፡ ሚዛና ኸኣ ሓደ ታለንት ወርቂ ምዃኑ ረኸቦ፡ ክቡራት ኣዕናቑ ድማ ነበርዋ። ናብ ርእሲ ዳዊት ከኣ ተነብረት። ካብታ ኸተማ ድማ ኣዝዩ ብዙሕ ምርኮ ኣውጽአ። 3ነቲ ኣብ ውሽጣ ዝነበረ ህዝቢ ኸኣ ኣውጺኡ ብመጋዛትን ብመንኰራዂራት ሓጺንን ብማሒጼታትን ኣንጠቕጠቖም። ዳዊት ድማ ኣብ ኲለን ከተማታት ደቂ ዓሞን ከምኡ ገበረ። ዳዊትን ኲሉ ህዝብን ከኣ ናብ የሩሳሌም ተመልሱ።
4ኰነ ድማ፡ ድሕርዚ ምስ ፍልስጥኤማውያን ኣብ ጌዘር ውግእ ተላዕለ። ሽዑ ሲብካይ ሑሻታዊ ነቲ ኻብ ደቂ ራፋ ዝነበረ ሺጳይ ቀተሎ። ንሳቶም ከኣ ተገዝኡ።
5ከም ብሓድሽ ድማ ምስ ፍልስጥኤማውያን ውግእ ኰነ፡ ኤልሓናን ወዲ ያዒር ከኣ ንላሕሚ ሓው ጐልያድ፡ እቲ ጋታዊ፡ ቀተሎ፡ ንሱ እቲ ዛብያ ዂናቱ ኽንዲ ወንደረሽ ኣላማይ ዝነበረ እዩ።
6ከም ብሓድሽ ድማ ኣብ ጋት ውግእ ኰነ። ኣብኡ ሓደ ኣብ ኢደ እግሩ ሸሹድሽተ፡ ማለት ዕስራን ኣርባዕተን ኣጻብዕ ዘለዎ ነዊሕ ሰብኣይ ነበረ። ንሱ ኸኣ ካብ ሬፋ እተወልደ እዩ።
7ንሱ ንእስራኤል ምስ ጸረፎ ድማ፡ ዮናታን፡ ወዲ ሺምዓያ ሓው ዳዊት፡ ቀተሎ።
8እዚኣቶም ኣብ ጋት ካብ ራፋ ተወልዱ። ብኢድ ዳዊትን ብኢድ ገላውኡን ከኣ ወደቑ።
1ይ ዜና ምዕራፍ 21
1ሰይጣን ድማ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ተንስአ እሞ፡ ንዳዊት እስራኤል ክቘጽር ኣልዓዓሎ። 2ዳዊት ከኣ ንዮኣብ ንሓላቑ ህዝብን፡ ኪዱ፡ ንእስራኤል ካብ ብኤር-ሸባዕ ክሳዕ ዳን ቁጸርዎ፡ ቁጽሮም ምእንቲ ኽፈልጥ ከኣ፡ ቃል ኣምጽኡለይ፡ በሎም። 3ዮኣብ ድማ፡ እግዚኣብሄር ንህዝቡ ኻብቲ ዘለዎ ሚእቲ ሳዕ ይወስኮ፡ ግናኸ፡ ዎ ጐይታይ ንጉስ፡ ኲሎም ገላው ጐይታይዶ ኣይኰኑን ስለምንታይ ጐይታይ ነዚ ነገር እዚ ይደልዮ ኣሎ ስለምንታይከ ንእስራኤል ምኽንያት ንበደል ዝኸውን በለ። 4እቲ ቓል ንጉስ ግና ንዮኣብ በርትዖ። ስለዚ ዮኣብ ወጸ፡ ናብ በዘሎ እስራኤል ከይዱ ኸኣ ናብ የሩሳሌም መጸ። 5ዮኣብ ድማ ቁጽሪ እቲ እተቘጽረ ህዝቢ ንዳዊት ሃቦ። ካብ ብዘሎ እስራኤል ከኣ ዓሰርተው ሓደ ሚእቲ ሽሕ ሴፍ ዝመዙ ሰብ ነበሩ፡ ካብ ይሁዳ ኸኣ ኣርባዕተ ሚእትን ሰብዓን ሽሕ ሴፍ ዝመዙ ሰብ ነበሩ። 6ዮኣብ ግና ነቲ ቓል ንጉስ ይፍንፍኖ ነበረ እሞ፡ ንሌዊን ብንያምን ኣብ መንጎኦም ኣይቈጸሮምን። 7እዚ ነገር እዚ ግና ንኣምላኽ ኣጒሃዮ እሞ፡ ንእስራኤል ቀዘፎ። 8ሽዑ ዳዊት ንኣምላኽ፡ እዚ ነገር እዚ ብምግባረይ ብዙሕ በደልኩ፡ ብዙሕ ድማ ዓሽየ እየ እሞ፡ ሕጂ ግና በጃኻ፡ በደል ባርያኻ ኣርሕቆ፡ በሎ። 9እግዚኣብሄር ድማ ንጋድ ናይ ዳዊት ረኣዪ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ 10ኪድ እሞ ንዳዊት፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኣነ ሰለስተ ነገር አንብረልካ ኣሎኹ፡ ካብኡ ንኣኻ ሓደ ሕረ እሞ፡ ክገብረልካ እየ፡ ኢልካ ተዛረቦ። 11ጋድ ከኣ ናብ ዳዊት ኣተወ በሎ ድማ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እቲ እትደልዮ ሕረ፡
12ሰለስተ ዓመት ጥሜት፡ ወይስ ሴፍ ጸላእቲኻ እናርከበካ ሰለስተ ወርሒ ኻብ ቅድሚ ጸላእትኻ ምህዳም፡ ወይስ ሴፍ እግዚኣብሄር፡ ማለት ኣብዛ ሃገር ሰለስተ መዓልቲ ፌራ፡ እሞ መልኣኽ እግዚኣብሄር ኣብ ብዘላ ምድሪ እስራኤል ጥፍኣት ከምጽእ። ነቲ ዝለኣኸንስ እንታይ ቃል ከም ዝመልሰሉ ሕጂ ሕሰብ። 13ዳዊት ንጋድ፡ ኣዝዩ ጨኒቑኒ ኣሎ፡ ግናኸ ምሕረቱ ብዙሕ ዓብዪ እዩ እምኦ፡ ኣብ ኢድ እግዚኣብሄር ደኣ እወድቕ፡ ኣብ ኢድ ሰብሲ ኣይወድቕን፡ በሎ።
14ሽዑ እግዚኣብሄር ንእስራኤል ፌራ ሰደደሉ እሞ ካብ እስራኤል ሰብዓ ሽሕ ሰብ ወደቑ። 15ድማ ኣምላኽ ንየሩሳሌም ከጥፍኣ መልኣኽ ሰደደላ፡ ንሱ ኸጥፍእ ከሎ ድማ፡ እግዚኣብሄር ነዚ ረኣዮ እሞ፡ በቲ ኽፋእ ተጣዒሱ፡ ነቲ ዘጥፍእ መልኣኽ፡ ይኣክል፡ ሕጂስ ኢድካ ምለሳ፡ በሎ። እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ከኣ ኣብ ጥቓ ዓውዲ ኣርናን እቲ ይብሳዊ ደው በለ። 16ዳዊት ድማ ኣዒንቱ ንላዕሊ ቛሕ ኣበላ፡ እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ኣብ መንጎ ምድርን ሰማይን ደው ኢሉ እተመሌሐት ሴፍ ከኣ ኣብ ኢዱ ኣብ ልዕሊ የሩሳሌም ዘርጊሕዋ ረኣየ። ሽዑ ዳዊትን እቶም ዓበይትን ማቕ ተኸዲኖም ብገጾም ተደፍኡ። 17ዳዊት ድማ ንኣምላኽ በሎ፡ ኣነ ደይኰንኩን እቲ ህዝቢ ክቑጸር ዝበልኩ ኣነ እየ ዝኣበስኩን ነቲ ብዙሕ ክፋእ ዝገበርኩን፡ እዘን ኣባጊዕ ግና እንታይ ገበራ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፡ ኢድካ ናባይን ናብ ቤት ኣቦይን ደኣ ትኹን እምበር፡ ናብ ህዝብኻስ ንምቕዛፉ ኣይትኹን። 18ሽዑ እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ንጋድ፡ ንዳዊት፡ ንሱ ደይቡ ኣብ ዓውዲ ኦርናን እቲ ይብሳዊ ንእግዚኣብሄር መሰውኢ ከቑመሉ፡ ኢሉ ኽነግሮ ኣዘዞ። 19ዳዊት ከኣ በቲ ጋድ ብስም እግዚኣብሄር እተዛረቦ ቓል ደየበ። 20ኦርናን ድማ ግልጽ በለ፡ ነቲ መልኣኽ ከኣ ረኣዮ፡ እቶም ምስኡ ዝነበሩ ኣርባዕተ ደቁ ድማ ተሓብኡ። ኦርናን ግና ስርናይ የኽይድ ነበረ። 21ዳዊት ናብ ኦርናን ምስ መጸ ኸኣ፡ ኦርናን ጠሚቱ ንዳዊት ረኣዮ፡ ካብቲ ዓውዲ ወጺኡ ኸኣ፡ ኣብ ቅድሚ ዳዊት ብገጹ ናብ ምድሪ ተደፍአ። 22ዳዊት ድማ ንኦርናን፡ እዚ መቕዘፍቲ ኻብ ህዝቢ ምእንቲ ክኽልከል፡ ንእግዚኣብሄር ኣብኣ መሰውኢ ኽሰርሓሉስ፡ ቦታ እዚ ዓውዲ ሃበኒ፡ንእኡ ብምሉእ ዋጋ ሃበኒ፡ በሎ። 23ኦርናን ከኣ ንዳዊት፡ ንኣኻ ውሰዳ፡ ጐይታይ ንጉስ ነቲ ጽቡቕ ኰይኑ እተራእዮ ይግበር፡ እንሆ፡ እዞም ኣብዑር ንዝሓርር መስዋእቲ፡ ሰረገላታት ከኣ ንዕጨይቲ፡ ስርናይውን ንመስዋእቲ ብልዒ እህብ፡ ኲሉ ሂበ ኣሎኹ፡ በሎ። 24ንጉስ ዳዊት ግና ንኦርናን፡ ኣይፋል፡ ንእግዚኣብሄር ኢለስ ናትካ ዝዀነ ኽወስድ ኣይደልን፡ ንዝሓርር መስዋእቲ ድማ ዋጋ ዘይብሉስ ኣየዕርገሉን እየ እሞ፡ ብርግጽ ብምሉእ ዋጋ ደኣ ኽሻየጣ እደሊ ኣሎኹ፡ በሎ። 25ዳዊት ከኣ ንኦርናን ዋጋ እታ ቦታ ብሚዛን ሹድሽተ ሚእቲ ሲቃል ወርቂ ሃቦ። 26ዳዊት ድማ ኣብኡ ንእግዚኣብሄር መሰውኢ ነደቐ፡ ዝሓርር መስዋእቲን መስዋእቲ ምስጋናን ከኣ ኣዕረገ፡ ናብ እግዚኣብሄር ድማ ተማህለለ፡ ንሱ ኸኣ ብሓዊ ኣብ ልዕሊ እቲ መሰዊኢ ምሕራር ካብ ሰማይ ምላሽ ሃቦ። 27እግዚኣብሄር ድማ ነቲ መልኣኽ ተዛረቦ፡ ንሱ ኸኣ ሴፉ ናብ ሰገባኣ መለሳ።
28በታ ግዜ እቲኣ ዳዊት እግዚኣብሄር ኣብቲ ዓውዲ ኦርናን እቲ ይብሳዊ ምላሽ ከም ዝሃቦ ምስ ረኣየ፡ ኣብኡ ሰውአ። 29እቲ ሙሴ ኣብ በረኻ ዝገበሮ ማሕደር እግዚኣብሄር እቲ መሰውኢ ምሕራርንሲ በቲ ግዜ እቲ ኣብቲ ናይ ጊብዖን በሪኽ እዩ ዝነበረ። 30ግናኸ ዳዊት ብዛዕባ እታ ሴፍ መልኣኽ እግዚኣብሄር ስለ ዝፈርሀ፡ ንኣምላኽ ክደልዮ ኢሉ ናብ ቅድሚኡ ክኸይድ ኣይከኣለን።
1ይ ዜና ምዕራፍ 22
1ዳዊት ከኣ፡ ቤት እግዚኣብሄር ኣብዚ ትኹን፡ ንእስራኤል መሰውኢ ንዝሓርር መስዋእቲ ድማ ኣብዚ ይኹን፡ በለ።
2ዳዊት ድማ እቶም ኣብ ሃገር እስራኤል ዝነብሩ ጓኖት ክእከቡ ኣዘዘ። ቤት ኣምላኽ ክስራሕ ከኣ ኣእማን ዝወቕሩ ወቐርቲ ሰርዐ። 3ዳዊት ድማ ንመዓጹ ኣፍ ደጌታትን ንመተሓሓዝን ዝኸውን ሽንካር ብዙሕ ሓጺንን ሚዛን ዘይብሉ ብዙሕ ኣስራዝን ኣከበ። 4ሲዶናውያን ጤሮሳውያንን ብዙሕ ኣእዋም ቄድሮስ ንዳዊት የምጽኡሉ ነበሩ እሞ፡ ቁጽሪ ዘይብሉ ኦም ቄድሮስ ከኣ ኣከበ። 5ዳዊት ከኣ፡ እዚ ወደይ ሰሎሞን ንኡስን ልምሉምን እዩ፡ እታ ንእግዚኣብሄር እትስራሓሉ ቤት ግና ኣብ ኲለን ሃገራት ስምይትን ንእድትን ክተከውንሲ፡ ኣዝያ ዓባይ ክትከውን ይግባእ፡ ስለዚ ኸዳልወላ ደልየ ኣሎኹ፡ በለ። ሽዑ ዳዊት ቅድሚ ሞቱ ብዙሕ ኣዳለወ።
6ንወዱ ሰሎሞን ጸዊዑ ኸኣ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ቤት ክሰርሓሉ ኣዘዞ። 7ዳዊት ድማ ንወዱ ሰሎሞን በሎ፡ ኣነ ንስም እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ቤት ክሰርሓሉ ብልበይ ሓሲበ ነበርኩ። 8ግናኸ ከምዚ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መጸ፡ ንስኻ ብዙሕ ደም ኣፍሲስካ፡ ዓበይቲ ውግእ ከኣ ተዋጊእካ ኢኻ፡ እምበኣርሲ ኣብ ቅድመይ ብዙሕ ደም ኣብ ምድሪ ስለ ዘፍሰስካ፡ ንስመይ ቤት ኣይክትሰርሓሉን ኢኻ። 9እንሆ፡ ንኣኻ ወዲ ኽውለደልካ እዩ፡ ንሱ ህዱእ ሰብ ክኸውን እዩ፡ ኣብ ዙርያኡ ኻብ ዘለው ዂሎም ጸላእቱ ድማ ህድኣት ክህቦ እየ። ስሙ ሰሎሞን ክብሃል እዩ እሞ፡ ብዘመኑ ኸኣ ኣብ እስራኤል ሰላምን ህድኣትን ክህብ እየ። 10ንሱ ንስመይ ቤት ክሰርሓሉ እዩ፡ ንሱ ወደይ ክዀነኒ፡ ኣነ ድማ ኣቦኡ ክዀኖ እየ። ዝፋን መንግስቱ ኸኣ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንዘለኣለም ከጽንዓሉ እየ። 11ሕጂ፡ ኣታ ወደየ፡ እግዚኣብሄር ምሳኻ ይኹን፡ የቕንዓልካውን። ከምቲ ንሱ ብዛዕባኻ እተዛረቦ ድማ፡ ቤት እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ስራሕ። 12ሓንትስ ኰታ፡ እግዚኣብሄር ኣእምሮን ምስትውዓልን ይሃብካ። ንሕጊ እግዚኣብሄር ኣምላኽካውን ክትሕልዎስ፡ ንሱ ኣብ ልዕሊ እስራኤል የግዝእካ። 13ሽዑ እቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ብዛዕባ እስራኤል ዝኣዘዞ ሕጋጋትን ፍርድታትን ክትገብሮ እንተ ተጠንቀቕካስ፡ ክቐንዓካ እዩ። ጽናዕን ትባዕን፡ ኣይትፍራህን ኣይትሸበርን። 14እንሆ ኸኣ፡ ብጭንቀተይ ንቤት እግዚኣብሄር ዝኸውን ሚእቲ ሽሕ ታለንት ወርቂ፡ ሽሕ ሳዕ ሽሕ ታለንት ብሩር ኣዳለኹ። ኣስራዝን ሓጺንን ከኣ ብዙሕ ስለ ዝዀነ፡ ሚዛን ዘይብሉ እዩ። ኣዕጫውን ኣእማንን ከኣ ኣዳሎኹ፡ ኣብ ልዕሊ እዚ ንስኻ ድማ ክትውስኸሉ ኢኻ። 15ብዙሓት ዓየይቲ ኸኣ ምሳኻ ኣለው፡ ቀረጽትን ወቐርትን ጸረብትን ኲሉ ዓይነት ዕዮ ዝፈልጡ ዂሎምን። 16ናይ ወርቂ፡ ናይ ብሩር፡ ናይ ኣስራዝን ሓጺንን ከኣ ቁጽሪ የብሉን። ተንስእ እሞ ስራሕ፡ እግዚኣብሄር ድማ ምሳኻ ይኹን።
17ዳዊት ከኣ ንዂሎም ሓላቑ እስራኤል ንወዱ ሰሎሞን ክሕግዝዎ ኣዘዞም፡ ከምዚ በሎም፡ 18እቶም ኣብ ሃገር ተቐሚጦም ዝነበሩ ኣብ ኢደይ ሂቡኒ፡ እዛ ሃገር ከኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩምዶ ምሳኻትኩም ኣየሎን፡ ብዂሉ ወገንከ ዕረፍቲ ሂቡኩም ዶ ኣይኰነን 19ሕጅስ ልብኹምን ነፍስኹምን ንምድላው እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምለስዎ። እቲ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር እቲ ቅዱስ ኣቓሑ ኣምላኽን ናብታ ንስም እግዚኣብሄር እትስራሕ ቤት ክኣቱስ፡ ተንስኡ እሞ ነቲ መቕደስ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ስርሕዎ።
1ይ ዜና ምዕራፍ 23
1ዳዊት ድማ ዕድመ ጸጊቡ ኣረጊት ኰነ፡ ንወዱ ሰሎሞን ከኣ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣንገሶ። 2ዳዊት ድማ ንዂሎም ሓላቑ እስራኤልን ንኻህናትን ሌዋውያንን ኣከቦም። 3እቶም ሌዋውያን ከኣ ካብ ወዲ ሰላሳ ዓመት ንላዕሊ ዘለው ዘበሉ ተቘጽሩ፡ እቲ ቑጽሩ፡ እቲ ቑጽሮም ድማ በብርእሲ ተተባዕታዮም ሰላሳን ሾሞንተን ሽሕ ኰነ። 4ዳዊት ከኣ በለ፡ ካብ እዚኣቶም ዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ ነቶ ዕዮ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ክሓልዮሉ፡ ሹድሽተ ሽሕ ከኣ ሓላቑን ፈረድትን ክዀኑ፡ 5ኣርባዕተ ሽሕ ሓለውቲ ደጌታት ክዀኑ፡ ኣርባዕተ ሽሕ ድማ በቲ ኣነ፡ ንሱ ብእኡ ኽምስገን፡ ዘግበርክዎ ኣቓሑ ንእግዚኣብሄር ዘመስግኑ ዘመርቲ ክዀኑ። 6ዳዊት ድማ ከምቶም ደቂ ሌዊ ኣብ ናይ ጌርሾንን ቀሃትን መራሪን ክፍልታት መቐሎም። 7ካብ ጌርሾናውያን፡ ላዕዳንን ሺምዒን። 8ደቂ ላዕዳን፡ የሒኤል እቲ ሓለቓን ዜታምን ዮኤልን፡ ሰለስተ። 9ደቂ ሺምዒ፡ ሸሎሞትን ሓዚኤልን ሃራንን፡ ሰለስተ። እዚኣቶም ዋናታት ናይ ላዕዳን ማይ ቤት ኣቦታት እዮም። 10ደቂ ሺምዒ ኸኣ፡ ያሓትን ዚናን የዑሽን በሪዓ፡ እዚኣቶም ኣርባዕቲኦም ደቂ ሺምዒ እዮም። 11ያሓት ዋና ነበረ፡ ዚና ድማ እቲ ኻልእይ። የዑሽን በሪዓን ግና ብዙሓት ደቂ ኣይነበርዎምን፡ ስለዚ ኸም ሓደ ማይ ቤት ኣቦ ዀይኖም ተቘጽሩ። 12ደቂ ቀሃት፡ ዓምራምን ዮጽሃርን ሔብሮንን ዑዚኤልን፡ ኣርባዕተ። 13ደቂ ዓምሪም ኣሮንን ሙሴን እዮም። ኣሮን ድማ ነቲ ቅዱስ ቅዱሳን ክቕድስ ተፈልየ፡ ንሱን ደቁን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ዕጣን ከዕርጉን ከገልግልዎን ብስሙውን ንዘለኣለም ክባርኹን እዮም። 14ሙሴ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ግና ደቁ ኣብ ማእከል ነገድ ሌዊ ተሰምዩ። 15ደቂ ሙሴ ጌርሾምን ኤልዔዘርን እዮም። 16ካብ ደቂ ጌርሾም ሼብኤል ዋና እዩ። 17ካብ ደቂ ኤልዔዘር ከኣ ረኻብያ እቲ ዋና እዩ፡ ግናኸ ኤልዔዘር ካልኦት ደቂ ኣይነበርዎን። ደቂ ሪኻብያ ግና ኣዝዮም በዝሑ። 18ደቂ ዪጽሃር፡ ሸሎሚት እቲ ዋና። 19ደቂ ሔብሮን፡ የሪያ እቲ ዋና፡ ኣማርያ እቲ ኻልኣይ፡ ያሓዚኤልእቲ ሳልሳይ፡ ይቃምዓም ድማ እቲ ራብዓይ። 20ደቂ ዑዚኤል፡ ሚካ እቲ ዋና፡ ዪሺያ ኸኣ እቲ ኻልኣይ። 21ደቂ መራሪ፡ ማሕሊን ሙሺን። ደቂ ማሕሊ፡ ኤልኣዛርን ቂሽን። 22ኤልኣዛር ግና ኣወዳት ከይሓደገ ሞተ፡ ኣዋልድ ደኣ ነበራኦ፡ ደቂ ቂሽ ኣሕዋተን ከኣ ኣእተውወን። 23ደቂ ሙሺ፡ ማሕሊን ዔደርን የሬሞትን፡ ሰለስተ።
24እዚኣቶም በብማይ ቤት ኣቦታቶም፡ ዋናታት መማይ ቤት ኣቦታት፡ ካብ ደቂ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ዘለው ዘበሉ፡ ኣብቲ ዕዮ ኣገልግሎት ቤት እግዚኣብሄር ዝዓዩ ዝነበሩ፡ በብርእሶም ተሰምዮም ብጽሕፈት እተቘጽሩ ደቂ ሌዊ እዮም። 25ዳዊት ኢሉ እዩ እሞ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ንህዝቡ ኣዕሪፍዎ እዩ፡ ክሳዕ ዘለኣለም ከኣ ኣብ የሩሳሌም ይነብር ኣሎ። 26ስለዚ ድማ እቶም ሌዋውያን ንድንኳንን ነቲ ንእኡ ዘገልግሉሉ ዂሉ ኣቓሑኡን ክጾሩ ኣየድልዮምን። 27በቲ ዳሕራይ ቃላት ዳዊትሲ እቶም ደቂ ሌዊ፡ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ዘለው ዘበሉ፡ ተቘጽሩ። 28ኣብ ትሕቲ ኢድ ደቂ ኣሮን ኰይኖም ዕዮኦም ኣብ ኣገልግሎት ቤት እግዚኣብሄር፡ ኣብ ኣጸድን ኣብ እቃቤታትን ንዂሉ እቲ ቅዱሳት ነገር ከጽርይዎን፡ ኣብቲ ኣገልግሎት ቤት ኣምላኽ ብምዕያይን ድማ እዩ። 29ነታ እንጌራ ምርኣይን ንመስዋእቲ ብልዒ ዝኸውን ድኹም ሓርጭን ንዘይበዂዔ ረቀቕቲ ቕጫታትን ኣብ መቑሎ ንተሰንከተን እተሎሰን፡ ንመስፈሪ ዘበለ ዂሉውን ክሓልዩ። 30ንግሆ ንግሆ ድማ ደው ኢሎም ንእግዚኣብሄር ከመስግንዎን ክውድስዎን፡ ምሸት ከኣ ኸምኡ፡ 31ኲሉግዜ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፡ ከምዚ ብዛዕባኡ እተሰርዔ፡ ብሰናብትን ብሰርቂ ወርሓትን ብቑጽሪ እተመደበ በዓላትን ንእግዚኣብሄር ኲሉ እቲ ዝሓርር መስዋእቲ ኸዕርጉሉ። 32ንምሕላው እቲ ድንኳን ምርኻብን ንምሕላው እቲ መቕደስን፡ እቶም ኣሕዋቶም ደቂ ኣሮን ነገልግሎት ቤት እግዚኣብሄር ዘለዎም ምሕላው ድማ ክሕልው እዮም።
1ይ ዜና ምዕራፍ 24
1ክፍልታት ደቂ ኣሮን ድማ እዚኣቶም ነበሩ፡ ደቂ ኣሮን ናዳብን ኣቢሁን ኤልኣዛርን ኢታማርን እዮም። 2ናዳብን ኣቢሁን ግና ቅድሚ ኣቦኦም ሞቱ፡ ኣወዳት ከኣ ኣይነበርዎምን፡ ስለዚ ኤልኣዛርን ኢታማርን ካህናት ኰኑ። 3ዳዊት ድማ ምስ ጻዶቅ ካብ ደቂ ኤልኣዛርን ምስ ኣሒሜሌክ ካብ ደቂ ኢታማርን ኰይኑ፡ ከምቲ እተሰርዓሎም ኣገልግሎቶም መቐሎም። 4ኣብ ደቂ ኤልኣዛር ከኣ ካብ ደቂ ኢታማር ዝበዝሑ ዋናታት ተረኽቡ፡ ከምዚ ኢሎም ከኣ ተመቕሉ፡ ካብ ደቂ ኤልኣዛር ዓሰርተው ሹድሽተ ዋናታት መማይ ቤት ኣቦታት ኰኑ፡ ካብ ደቂ ኢታማር ከኣ ከከም ማይ ቤት ኣቦታቶም ሾሞንተ ዋናታት ኰኑ። 5ካብ ደቂ ኤልኣዛር ኰነ፡ ካብ ደቂ ኢታማር ኰነ ሹማምቲ መቕደስን ሹማምቲ ኣምላኽን ነበሩ እሞ፡ ስለዚ እዚኣቶም ምስ እቲ እቶም ብዕጭ ተመቕሉ። 6እቲ ጸሓፊ፡ ሸማዕያ ወዲ ንታንኤል፡ ካብ ነገድ ሌዊ፡ ድማ ኣብ ቅድሚ ንጉስን ሹማምትን ካህን ጻዶቅን ኣሒሜሌክ ወዲ ኣብያታርን፡ ኣብ ቅድሚ ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታት ካህናትን ሌዋውያንን ጸሓፎም። ሓደ ማይ ቤት ኣቦ ንኤልኣዛር፡ ሓደ ኸኣ ንኢታማር ተወስደ።
7እሞ እቲ ቐዳማይ ዕጭ ንዮያሪብ፡ እቲ ኻልኣይ ንየዳያ ወጸ፡ 8እቲ ሳልሳይ ንሓሪም፡ እቲ ራብዓይ ንስዖሪም፡ 9እቲ ሓምሳይ ንማልኪያ፡ እቲ ሳድሳይ ንሚያሚን፡ 10እቲ ሳብዓይ ንሃቆጽ፡ እቲ ሳምናይ ንኣቢ፡ 11እቲ ታስዓይ ንየሹዓ፡ እቲ ዓስራይ ንሸካንያ፡ 12መበል ዓሰርተው ሓደ ንኤልያሺብ፡ መበል ዓሰርተው ክልተ ንያቂም፡13መበል ዓሰርተው ሰለስተ ንሑጳ፡ መበል ዓሰርተው ኣርባዕተ ንየሸብኣብ፡ 14መበል ዓሰርተው ሓሙሽተ ንቢልጋ፡ መበል ዓሰርተው ሹድሽተ ንኢመር፡ 15መበል ዓሰርተው ሾብዓተ ንሔዚር፡ መበል ዓሰርተው ሾምንተ ንሃጲጸድ፡ 16መበል ዓሰርተው ትሽዓተ ንጳታሕያ፡ መበል ዕስራ ንይሔዝቅኤል፡ 17መበል ዕስራን ሓደን ንያኪን፡ መበል ዕስራን ክልተን ንጋሙል፡ 18መበል ዕስራን ሰለስተን ንደላያ፡ መበል ዕስራን ኣርባዕተን ንማዓዝያ። 19ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ብኢድ ኣቦኦም ኣሮን ዝሃቦ ስርዓት ንእኡውን ዝኣዘዞ፡ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ክኣትውስ ስርዓት ኣገልግሎቶም እዚ እዩ።
20ናይቶም ዝተረፉ ደቂ ሌዊ ኸኣ፡ ናይ ደቂ ዓምራም ሹባኤል፡ ናይ ደቂ ሹባኤል የሕደያ፡ 21ናይ ረሓብያ፡ ናይ ደቂ ረሓብያ ዪሺያ እቲ ዋና። 22ናይ ይጽሓራውያን፡ ሸሎሞት፡ ናይ ደቂ ሸሎሞት ያሓት። 23ደቂ ሔብሮን ድማ፡ የሪያ እቲ ዋና፡ ኣማርያ እቲ ኻልኣይ፡ ያሓዚኤል እቲ ሳልሳይ፡ የቃምዓም እቲ ራብዓይ። 24ደቂ ዑዚኤል፡ ሚካ፡ ናይ ደቂ ሚካ ሻሚር። 25ሓው ሚካ፡ ዪሺያ ዘካርያስ። 26ደቂ መራሪ ማሕሊን ሙሺን እዮም፡ ደቂ ያዓዚያ፡ ቤኖ። 27ደቂ መራሪ ናይ ያዓዚያ፡ ቤኖን ሸሃምን ዛኩርን ዒብሪን። 28ናይ ማሕሊ፡ ኤልኣዛር፡ ንሱ ድማ ደቂ ኣይነበርዎን። 29ናይ ቂስ፡ ደቂ ቂስ የራሕምኤል። 30ደቂ ሙሺ ኸኣ፡ ማሕሊን ዔደርን የሪሞትን። እዚኣቶም በብማይ ቤት ኣቦታቶም ደቂ ሌዋውያን እዮም። 31እዚኣቶም ድማ ከምቶም ኣሕዋቶም ደቂ ኣሮን ኣብ ቅድሚ ንጉስ ዳዊትን ጻዶቅን ኣሒሜሌክን ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታት ካህናትን ሌዋውያንን፡ እቶም ኣውራታት ማይ ቤት ኣቦታት ምስቶም ናእሽቱ ኣሕዋቶም ማዕረ፡ ዕጭ ተዋደቑ።
1ይ ዜና ምዕራፍ 25
1ዳዊት ድማ ምስ ሹማምቲ ሰራዊት ኰይኑ፡ ንደቂ ኣሳፍን ሄማንን የዱቱንን ነገልግሎት፡ ብበገናን መሰንቆን ብጸናጽልን ትንቢት ክነግሩ ፈለዮም። ቁጽሪ እቶም ከከም ኣገልግሎትም ዝዓዩ ዝነበሩ ሰባት ከኣ እዚ እዩ፡ 2ካብ ደቂ ኣሳፍ፡ ዛኩርን ዮሴፍን ነታንያን ኣሳርኤላን፡ ደቂ ኣሳፍ፡ ኣብ ትሕቲ ኢድ እቲ ኸም ትእዛዝ ንጉስ ዝንበ ዝነበረ ኣሳፍ ዝዀኑ። 3ካብ የዱቱን፡ ደቂ የዳቱን፡ ግዳልያን ጸሪን የሻዕያን ሓሻብያን ማቲትያን፡ ሹድሽተ፡ ብበገና ብትሕቲ ኢድ እቲ ንእግዚኣብሄር ብምምስጋን ብምኽባርን ዝንበ ዝነበረ ኣቦኦም የዳቱን ዝዀኑ። 4ካብ ሄማን፡ ደቂ ሄማን፡ ቡቂያ፡ ማታንያ፡ ዑዚኤል፡ ሼቡኤል፡ የሪሞት፡ ሓናንያ፡ ኤሊኣታ፡ ጊዳልቲ፡ ሮማምቲዕዘር፡ ዩሽብቃሽ፡ ማሎቲ፡ ሆቲር፡ ማሓዚኦት። 5እዚኣቶም ኲሎም ደቂ ሂማን ነበሩ፡ንሱ፡ ነቲ ቐርኒ ልዕል ከብሎ፡ ኣብ ቃላት ኣምላኽ ናይ ንጉስ ረኣዪ ነበረ። ኣምላኽ ከኣ ንሄማን ዓሰርተው ኣርባዕተ ኣወዳትን ሰለስተ ኣዋልድን ሃቦ። 6እዚኣቶም ኲሎም በቲ መዝሙር ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ነገልግሎት ቤት ኣምላኽ ብዘሎ ጸናጽልን መሰንቆን በገናን፡ ከምቲ ትእዛዝ ንጉስ፡ ኣብ ትሕቲ ኣእዳው ኣኣቦኦም ኣሳፍን የዱቱንን ሄማንን ነበሩ። 7ቁጽሮም ድማ፡ ምስቶም ንእግዚኣብሄር ምዝማር እተማህሩ፡ ኲሎም ፈላጣት ኣሕዋቶም ክልተ ሚእትን ሰማንያን ሾሞንተን ኰነ። 8ብዛዕባ እቲ ኣገልግሎት ድማ ተመዓራርዮም እቲ ንእሽቶ ኸምቲ ዓብዪ፡ እቲ መምህር ከምቲ ተማሃሪ ዕጭ ተዋደቑሉ። 9እታ ቐዳመይቲ ዕጭ ንኣሳፍ ኣብ ዮሴፍ በጽሐት፡ እታ ኻልኣይቲ ንግዳልያ፡ ንሱን ኣሕዋቱን ደቁን ዓሰርተው ክልተ ነበሩ። 10እታ ሳልሰይቲ ንዛኩር፡ ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተው ክልተ። 11እታ ራብዐይቲ ንዪጽሪ፡ ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተው ክልተ። 12እታ ሓምሰይቲ ንነገታንያ፡ ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተው ክልተ። 13እታ ሳድሰይቲ ንቡቂያ፡ ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተው ክልተ። 14እታ ሳብዐይቲ ንየሻርኤላ፡ ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተው ክልተ። 15እታ ሳምነይቲ ንየሻዕያ፡ ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተው ክልተ። 16እታ ታስዐይቲ ንማታንያ፡ ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተው ክልተ። 17እታ ዓስረይቲ ንሺምዒ፡ ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተው ክልተ። 18እታ መበል ዓሰርተው ሓድ ንዓዛርኤል፡ ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተው ክልተ። 19እታ መበል ዓሰርተው ክልተ ንሓሻብያ፡ ድቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተው ክልተ። 20እታ መበል ዓሰርተው ሰለስተ ንየሹባኤል፡ ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተው ክልተ። 21እታ መበል ዓሰርተው ኣርባዕተ ንማቲትያ፡ ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተው ክልተ። 22እታ መበል ዓሰርተው ሓሙሽተ ንይሬሞት፡ ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተው ክልተ። 23እታ መበል ዓሰርተው ሹድሽተ ንሓናንያ፡ ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተው ክልተ። 24እታ መበል ዓሰርተው ሾብዓተ ንዮሽብቃሽ፡ ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተው ክልተ። 25እታ መበል ዓሰርተው ሾሞንተ ንሓናኒ፡ ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተው ክልተ። 26እታ መበል ዓሰርተው ትሽዓተ ንማሎቲ፡ ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተው ክልተ። 27እታ መበል ዕስራ ንኤሊያታ፡ ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተው ክልተ። 28እታ መበል ዕስራን ሓደን ንሆቲር፡ ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተው ክልተ። 29እታ መበል ዕስራን ክልተን ንጊዳልቲ፡ ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተው ክልተ። 30እታ መበል ዕስራን ሰለስተን ንማሓዚኣት፡ ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተው ክልተ። 31እታ መበል ዕስራን ኣርባዕተን ንሮማምቲ-ዔዘር፡ ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተው ክልተ።
1ይ ዜና ምዕራፍ 26
1ብናይ ክፍልታት ሓለውቲ ደጌታት፡ ካብ ቆረሓውያን መሸለምያ፡ ወዲ ቆሬ ኻብ ደቂ ኣሳፍ። 2መሸለምያ ኸኣ ደቂ ነበርዎ፡ እቲ በዂሪ ዘካርያስ፡ እቲ ኻልኣይ የዲዓኤል፡ እቲ ሳልሳይ ዘባድያ፡ እቲ ራብዓይ የትኒኤል፡ 3እቲ ሓምሳይ ዔላም፡ እቲ ሳድሳይ ዮሓናን፡ እቲ ሳብዓይ ኤልይሆዔናይ። 4ዖቤድ-ኤዶም ድማ ደቂ ነበርዎ፡ እቲ በዂሪ ሸማዕያ፡ እቲ ኻልኣይ የሆዛባድ፡ እቲ ሳልሳይ ዮኣሕ፡ እቲ ራብዓይ ከኣ ሳካር፡ እቲ ሓምሳይውን ንታንኤል፡ 5እቲ ሳድሳይ ዓሚኤል፡ እቲ ሳብዓይ ይሳኮር፡ እቲ ሳምናይ ጳዑለታይ፡ ኣምላኽ ባሪኽዎ ነበረ። 6ንወዱ ሸማዕያ ኸኣ ኣወዳት ተወልዱሉ፡ ንሳቶም ሓያላት ብርቱዓትን ሰብ ነበሩ እሞ፡ ኣብ ቤት ኣቦኦም ይገዝኡ ነበሩ። 7ደቂ ሸማዕያ፡ ዖትኒን ረፋኤልን ዖቤድን ኤልዛባድን፡ እቶም ንፉዓት ሰባት ዝነበሩ ኣሕዋቱ ኤሊሁን ሰማክያን። 8እዚኣቶም ኲሎም ካብ ደቂ ዖቤድ-ኤዶም ነበሩ፡ ንሳቶምን ደቆምን ኣሕዋቶምን ነገልግሎት ዝበቕዑ ንፉዓት ሰባት፡ ስሳን ክልተን ካብ ዖቤድ-ኤዶም። 9መሸለምያውን ደቅን ኣሕዋትን ነበርዎ፡ ዓሰርተው ሾሞንተ ንፉዓት ሰባት። 10ሖሻ ኻብ ደቂ መራሪ ድማ ደቂ ነበርዎ፡ ሺምሪ ዋና ነበረ፡ ንሱ በዂሪ ዘይኰነ ኽነሱ፡ ኣቦኡ ዋና ገበሮ። 11እቲ ኻልኣይ ሒልቂያ፡ እቲ ሳልሳይ ጠበልያ፡ እቲ ራብዓይ ዘካርያስ፡ ናይ ሖሽ ደቅን ኣሕዋትን ኲሎም ዓሰርተው ሰለስተ ነበሩ። 12እቶም ክፍልታት ሓለውቲ ደጌታት፡ ካብዚኣቶም እቶም ዝነበሩ፡ ማለት ካብቶም ኣውራ ዋናታት እዮም፡ ንሳቶም ነገልግሎት ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ከም ኣሕዋቶም መዚ ተቐበሉ። 13ነናይ ደገ ኸም መማይ ቤት ኣቦታቶም ንእሽቶ ኸም ዓብዪ ዕጭ ተዋደቑለን።
14እቲ ናይ ምብራቕ ዕጭ ኣብ ሸለምያ ወደቐ። ለባም መኻሪ ንዝነበረ ወዱ ዘካርያስ ድማ ዕጭ ኣውደቑሉ፡ ዕጩ ኸኣ ብናይ ሰሜን ወጸ። 15ንዖቤድ-ኤዶም እቲ ናይ ደቡብ በጽሖ፡ ነቶም ደቁ ድማ ቤት መዛግብቲ። 16ናብ ምዕራብ፡ እቲ ኣብ ጥቓ እታ ደገ ሻለከት እተደይብ መገዲ ንሹጲምን ንሖሳን በጽሖም። ንሱ እታ ሓለዋ ኣብ መንጽር ሓለዋ ናይ ዘለዋኦ እዩ። 17ብምብራቕ ሹድሽተ ሌዋውያን ነበሩ፡ ብሰሜን ብየዕለቱ ኣርባዕተ፡ ብደቡብ ብየዕለቱ ኣርባዕተ፡ ኣብ ቤት መዛግብቲ ኸኣ ክልተን ክልተን። 18ንጳርባር ብወገን ምዕራብ ኣብታ ልዕል ዝበለት በገዲ ኣርባዕተ፡ ኣብ ጳርባር ድማ ክልተ ነበሩ። 19እቶም ካብ ደቂ ቆሬን ካብ ደቂ መራሪን ዝነበሩ ኽፍልታት ሓለውቲ ደጌታት እዚኣቶም እዮም።
20ካብ ሌዋውያን ድማ ኣሒያ ኣብ ልዕሊ መዛግብቲ ቤት ኣምላኽን ኣብ ልዕሊ መዛግብቲ እቲ እተቐደሰ ነገርን ነበረ። 21ደቂ ላዕዳን፡ ደቂ ጌርሻናውያን ካብ ላዕዳን፡ ዋናታት ናይቲ ጌርሾናዊ ላዕዳን ማይ ቤት ኣቦታት የሒኤላውን ነበሩ። 22ደቂ የሒኤላውያን፡ ዜታምን ሓው ዮኤልን ኣብ ልዕሊ መዛግብቲ ቤት እግዚኣብሄር ነበሩ። 23ካብ ኣምራማውያን፡ ካብ ዪጽሃራውያን፡ ካብ ሔብሮናውያን፡ ካብ ዑዚኤላውያንስ፡ 24ሸቡኤል፡ ወዲ ጌርሾም ወዲ ሙሴ፡ ኣብ ልዕሊ መዛግብቲ ሹም ነበረ። 25እቶም ካብ ኤሊዓዘር ዝነበሩ ኣሕዋቱ ኸኣ፡ ረሓብያ ወዲ፡ ይሻዕያ ወዱ፡ ዮራም ወዱ፡ ዚክሪ ወዱ፡ ሸሎሞት ወዱ። 26እዚ ሸሎሞት እዝን ኣሕዋቱን ኣብ ልዕሊ ዂሉ እቲ እተቐደሰ ነገር መዛግብቲ ነበሩ፡ ማለት እቲ ንጉስ ዳዊትን ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታትን ሓላቑ ሽሕን ሚእትን ሓላቑ ሰራዊትን ዝቐደስዎ ነገር። 27ካብቲ ኣብ ውግእ ዝማረኽዎ ንመተዓራረዪ ቤት እግዚኣብሄር ቀዲሶምዎ ነበሩ። 28ድማ ዂሉ እቲ ሳሙኤል ረኣይን ሳኦል ወዲ ቂስን ኣብኔር ወዲ ኔርን ዮኣብ ወዲ ጽሩያን ዝቐደስዎ፡ ማንም ዝቐደሶ ዘበለ ዂሉ ኣብ ትሕቲ ኢድ ሸሎሞትን ኣሕዋቱን ነበረ። 29ኣብ ዪጽሃራውያን፡ ከናንያን ደቁን ኣብ ግዳማዊ ስራሕ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ሹማምትን ፈረድትን ነበሩ። 30ካብ ሔብሮናውያን፡ ሓሻብያን ኣሕዋቱን ሃበርም ሰብኡት፡ ሽሕን ሾብዓተ ሚእትን፡ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ብወገን ምዕራብ ንመጋብነት ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣብ ኲሉ ዕዮ እግዚኣብሄር ኣብ ኣገልግሎት ንጉስን ተመዘዙ። 31ካብ ሔብሮናውያን፡ የሪያ ነቶም ሔብሮናውያን ከም ወለዶ ማይ ቤት ኣቦታት ዋናኦም ነበረ። ንግዝኣት ዳዊትስ ኣብ መበል ኣርብዓ ዓመቱ ብዛዕባኦም መርመሩ እሞ ኣብ መንጎኦም ኣብ ያዕዜር ኣብ ጊልዓድ ሓያላት ጀጋኑ ተረኽቡ። 32ኣሕዋቱ ድማ ክልተ ሽሕን ሾብዓተ ሚእትን፡ ሃበርም ሰብኡት፡ ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታት ነበሩ። ንጉስ ዳዊት ከኣ ኣብ ልዕሊ ሮቤላውያንን ጋዳውያንን ፈረቓ ምናሴን ኣብ ኲሉ ናይ ኣምላኽ ነገርን ናይ ንጉስ ነገርን ሸሞም።
1ይ ዜና ምዕራፍ 27
1ደቂ እስራኤል ድማ ከም ቁጽሮም፡ ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታትን ሓላቑ ኣሽሓትን ሚእትታትን፡ እቶም በቲ ናይ ክፍልታት ኲሉ ነገር ንንጉስ ዘገልግሉ መኳንንቶምን፡ ንሳቶም ብዅለን ወርሓትን ዓመት ኣብ ወወርሒ ይኣትውን ይወጹን ነበሩ፡ ናይ ሓሓደ ኽፍሊ ዔዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ ነበሩ። 2ኣብ ልዕሊ እቲ ቐዳማይ ክፍሊ ናይታ ቐዳመይቲ ወርሒ ያሾብዓም ወዲ ዛብዲኤል ነበረ፡ እቶም ክፍሉ ኸኣ ዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ ነበሩ። 3ንሱ ኻብ ደቂ ፌሬስ ነበረ፡ ንዂሎም እቶም ሓላቑ ናይቲ ሰራዊት ናይ ቀዳመይቲ ወርሒ ንሱ ሓለቓኦም ነበረ። 4ኣብ ልዕሊ እቲ ኽፍሊ ናይ ካልኣይቲ ወርሒ ድማ ዶዳይ እቲ ኣሖሓዊ ምስ ክፍሉ። ሚቅሎት ሹም ነበረ፡ እቶም ክፍሉ ኸኣ ዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ ነበሩ። 5እቲ በቲ ሳልሰይቲ ወርሒ ራእሲ ዀይኑ ዘገልግል ሳልሳይ ሓለቓ ሰራዊት በናያ ወዲ እቲ ኻህን የሆያዳ እዩ፡ እቶም ክፍሉ ድማ ዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ ነበሩ። 6እዚ በናያ እዚ እቲ ጅግና ኻብቶም ሰላሳ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ሰላሳ ዝነበሩ እዩ። ኣብቲ ኽፍሉ ድማ ወዱ ዓሚዛባድ ነበረ። 7እቲ ራብዓይ ናይ ራብዐይቲ ወርሒ፡ ዓሳሄል ሓው ዮኣብ ነበረ፡ ብድሕሪኡ ኸኣ ወዱ ዘባድያ። እቶም ክፍሉ ድማ ዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ ነበሩ። 8እቲ ሓምሳይ ሓለቓ፡ ናይ ሓምሳይቲ ወርሒ፡ ሻምሁት እቲ ይዝራሓዊ ነበረ። እቶም ክፍሉ ኸኣ ዕስራንት ኣርባዕተን ሽሕ ነበሩ። 9እቲ ሳድሳይ ናይ ሳድሰይቲ ወርሒ፡ ዒራ፡ ወዲ ዒቀሽ እቲ ተቆዓዊ፡ ነበረ። እቶም ክፍሉ ድማ ዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ ነበሩ። 10እቲ ሳብዓይ ናይ ሳብዐይቲ ወርሒ፡ ሔለጽ እቲ ጰሎናዊ ኻብ ደቂ ኤፍሬም ነበረ። እቶም ክፍሉ ኸኣ ዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ ነበሩ። 11እቲ ሳምናይ ናይ ሳምነይቲ ወርሒ፡ ሲብካይ፡ እቲ ሑሻታዊ ኻብ ዜራሓውያን፡ ነበረ። እቶም ክፍሉ ድማ ዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ ነበሩ። 12እቲ ታስዓይ ናይ ታስዐይቲ ወርሒ፡ ኣቢዔዘር፡ እቲ ዓናቶታዊ ኻብ ብንያማውያን፡ ነበረ። እቶም ክፍሉ ኸኣ ዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ ነበሩ። 13እቲ ዓስራይ ናይ ዓስረይቲ ወርሒ፡ ማሓራይ፡ እቲ ነጦፍታዊ ካብ ዜራሓውያን፡ ነበረ። እቶም ክፍሉ ድማ ዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ ነበሩ። 14እቲ መበል ዓሰርተው ሓደ ናይ መበል ዓሰርተው ሓደ ወርሒ ዘገልግል፡ በናያ፡ ጲርዓቶናዊ ኻብ ደቂ ኤፍሬም፡ ነበረ። እቶም ክፍሉ ኸኣ ዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ ነበሩ። 15እቲ መበል ዓሰርተው ክልተ፡ ናይ መበል ዓሰርተው ክልተ ወርሒ፡ ሔልዳይ፡ እቲ ነጦፋታዊ ኻብ ዖትኒኤል፡ ነበረ። እቶም ክፍሉ ድማ ዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ ነበሩ።
16ኣብ ልዕሊ ነገዳት እስራኤል ድማ እዚኣቶም ነበሩ፡ መስፍን ካብ ሮቤላውያን ኤሊዔዘር ወዲ ዚክሪ ነበረ። ካብ ስምኦናውያን ሸፋጥያ ወዲ ማዓካ። 17ካብ ሌዋውያን ሓሻብያ፡ ወዲ ቄሙኤል፡ ካብ ኣሮን ጻዶቅ። 18ካብ ይሁዳ ኤሊሁ፡ ሓደ ኻብ ኣሕዋት ዳዊት፡ ካብ ይሳኮር ዖምሪ ወዲ ሚካኤል። 19ካብ ዛብሎን ዪሽማዕያ ወዲ ዖባዲያ፡ ካብ ንፍታሌም የሪሞት ወዲ ዓዝሪኤል። 20ካብ ደቂ ኤፍሬም ሆሼዓ ወዲ ኣዛዝያ፡ ካብቲ ፈረቓ ነገድ ምናሴ ዮኤል ወዲ ጴዳያ። 21ካብቲ ፈረቓ ነገድ ምናሴ ኣብ ጊልዓድ ኢዶ ወዲ ዘካርያስ፡ ካብ ብንያም ይዓሲኤል ወዲ ኣብኔር። 22ካብ ዳን ዓዛርኤል ወዲ ይሮሓም። እዚኣቶም ሓላቑ ነገዳት እስራኤል ነበሩ። 23ግናኸ እግዚኣብሄር ንእስራኤል ከም ከዋኽብቲ ሰማይ ከም ዘብዝሖም ኢሉ ነበረ እሞ፡ ዳዊት ነቶም ደቂ ዕስራ ዓመትን ካብኡ ንታሕትን ዝነበሩ ዘበሉ ኣይቈጸሮምን። 24ዮኣብ ወዲ ጽሩያስ ክቘጽር ጀሚሩ ነበረ፡ ግናኸ ኣይወድኦን። ብሰሪ እዚ ድማ ናብ ልዕሊ እስራኤል መዓት መጸ። እቲ ቑጽሪ ድማ ኣብቲ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ንጉስ ዳዊት ኣይተጻሕፈን።
25ኣብ ልዕሊ መዛግብቲ ንጉስ ከኣ ዓዝማዌት ወዲ ዓዲኤል ነበረ። ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ግራሁን ኣብ ከተማታትን ኣብ ዓድታትን ኣብ እምባታትን ዝነበረ ጥሪት ድማ ዮናታን ወዲ ዑዚያ ነበረ። 26ኣብ ልዕሊ እቶም ንምድሪ ኽሓርሱ፡ ኣብቲ ናይ ግራት ዕዮ ዝዓዩ ዝነበሩ ኸኣ ዔዝሪ ወዲ ኬሉብ ነበረ። 27ኣብ ልዕሊ እቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ድማ ሺምዒ እቲ ራማታዊ ነበረ። ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ መዓካን ወይኒ ዝኣቱ እቶት ኣታኽልቲ ወይኒ ኸኣ ዛብዲ እቲ ሺፍማዊ ነበረ። 28ኣብ ልዕሊ ኣታኽልቲ ኣውልዕን ኣብ ጐልጐል ዝነበረ ሰጋሉን ድማ በዓል-ሓናን እቲ ግደራዊ ነበረ፡ ኣብ ልዕሊ መዛግብቲ ዘይቲ ኸኣ ዮዓሽ ነበረ። 29ኣብ ልዕሊ እተን ኣብ ሳሮን ዝጓሰያ ኸብቲ ድማ ሺጥራይ እቲ ሳሮናዊ ነበረ፡ ኣብ ልዕሊ እተን ኣብ ለሴታት ዝነበራ ኸብቲውን ሻፋጥ ወዲ ዓድላይ ነበረ። 30ኣብ ልዕሊ እተን ኣግማል ከኣ ኦቢል እቲ እስማኤላዊ ነበረ። ኣብ ልዕሊ እተን ኣእዱግ ድማ የሕደያ እቲ ሜሮናታዊ ነበረ። 31ኣብ ልዕሊ እተን ኣባጊዕ ከኣ ያዚዝ እቲ ሃገራዊ ነበረ። እዚኣቶም ኲሎም ሓላቑ እቲ ናይ ንጉስ ዳዊት ዝነበረ ሃብቲ ነበሩ።
32ዮናታን፡ ሓው ኣቦኡ ንዳዊት፡ ኣማኻሪ ነበረ፡ ንሱ ኣስተውዓሊ ሰብኣይን ጸሓፍን ነበረ፡ የሒኤል ወዲ ሓቅሞኒ ኸኣ ምስ ደቂ ንጉስ ነበረ። 33ኣሒቶፌል ድማ መኻሪ ንጉስ ነበረ፡ ሑሻይ እቲ ኣርካዊ ኸኣ ዓርኪ ንጉስ ነበረ። 34ድሕሪ ኣሒቶፌል ድማ የሆያዳ ወዲ በናያን ኣብያታርን ነበሩ። ዮኣብ ድማ ሓለቓ ሰራዊት ንጉስ ነበረ።
1ይ ዜና ምዕራፍ 28
1ዳዊት ድማ ንዂሎም ሓላቑ እስራኤል፡ ነቶም ዋናታት ነገዳትን ሓላቑ እቶም ንንጉስ ዘገልግሉ ኽፍልታትን ሓላቑ ሽሕን ሓላቑ ሚእትን፡ ሓላቑ እቲ ናይ ንጉስን ናይ ደቁን ኲሉ ገንዘቡን ከብትን ምስቶም መኳንንትን ጀጋኑን፡ ኲሎም ሓያላት ጀጋኑ፡ ኣብ የሩሳሌም ኣከቦም። 2ሽዑ ንጉስ ዳዊት በእጋሩ ደው ኢሉ በለ፡ ኣቱም ኣሕዋተይን ህዝበይን፡ ስምዑኑ፡ ኣነ ንታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ነታ ድኳ እግሪ ኣምላኽናን ቤት ዕረፍቲ ኽሰርሕ ኣብ ልበይ ነበረኒ፡ ንምስራሕ ዝኸውን ከኣ ኣዳሎኹ። 3ኣምላኽ ግና፡ ንስኻ ናይ ውግእ ሰብ ኢኻ፡ ደም ድማ ኣፍሲስካ ኔርካ ኢኻ እሞ፡ ንስመይ ቤት ኣይትሰርሓሉን ኢኻ፡ በለኒ። 4ግናኸ ንይሁዳ መስፍን ክኸውን ሓረዮ፡ ኣብ ቤት ይሁዳውን ቤት ኣቦይ፡ ኣብ መንጎ እቶም ደቂ ኣቦይ ከኣ ንኣይ ኣብ ልዕሊ ብዘሎ እስራኤል ኬንግሰኒ ብሂጉ እዩ እሞ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ንኣይ ንዘለኣለም ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንጉስ ክኸውን ካብ ብዘላ ቤት ኣቦይ ሓረየኒ። 5ካብ ኲሎም ደቀይ ድማ፡ እግዚኣብሄር ብዙሓት ደቂ ሂቡኒ እዩ እሞ፡ ንወደይ ሰሎሞን ኣብ ዝፋን መንግስቲ እግዚኣብሄር፡ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ክቕመጥ ሓረዮ። 6በለኒ ድማ፡ ወድኻ ሰሎሞን፡ ንእኡ ወደይ ክዀነኒ፡ ኣነውን ኣቦኡ ክዀኖ ሓርየዮ እየ እሞ፡ ንሱ ቤተይን ኣጸዳተይን ክሰርሕ እዩ። 7ንሱ ኸምቲ ሎሚ ዘሎ ንትእዛዛተይን ፍርድታተይን ንምግባሩ እንተ ጸንዐ ኸኣ፡ ነታ መንግስቱ ንዘለኣለም ከጽንዓ እየ። 8ሕጂ ድማ ኣብ ቅድሚ ብዘሎ እስራኤል እዛ ማሕበር እግዚኣብሄር እናሰምዖ፡ ነዛ ጽብቕቲ ሃገር ምእንቲ ኽትወርስዋ፡ ንደቅኹምውን ድሕሬኹም ንዘለኣለም ከተረስትይዎም፡ ንዂሉ ትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ሓልውዎን ድለይዎን። 9ኣታ ወደይ ሰሎሞን ድማ፡ ነቲ ኣምላኽ ኣቦኻ ፍለጦ፡ ብፍጹም ልብን ብፍታው ነፍስን ከኣ ኣገልግሎ። እግዚኣብሄር ንዂሉ ኣልባብ ይመራምሮ፡ ንዂሉ ምኽሪ ሓሳባት ድማ ይፈልጦ እዩ እሞ፡ እንተ ደሌኻዮስ፡ ክርከበልካ እዩ። እንተ ሓደግካዮ ግና፡ ንዘለኣለም ክድርብየካ እዩ። 10ሕጂስ ተመልከት፡ ንመቕደስ እትኸውን ቤት ክትሰርሕ ሓርዩካ እዩ እሞ፡ ጽናዕን ስራሕን።
11ዳዊት ድማ ምስሊ ገበላ መቕደስን ኣባይቱን መዛግቡቱን ደርብታቱን ውሽጣዊ ኽፍልታቱን ነቲ ናይ መኽደን መተዓረቒ ቦታን ንወዱ ሰሎሞን ሃቦ። 12ናይቲ ብመንፈስ ዝነበሮ ዂሉ፡ ናይ ኣጸዳት ቤት እግዚኣብሄርን ናይተን ብዙርያ ዝዀና ዂለን እቃቤታትን ናይቲ መዛግብቲ ቤት እግዚኣብሄር መዛግብቲ እቲ እተቐደሰ ነገርን ምስሊ ድማ ሃቦ። 13ቀጺሉ ኸኣ ናይ ክፍልታት ካህናትን ሌዋውያንን፡ ኲሉ ዕዮ ኣገልግሎት ቤት እግዚኣብሄርን ናይ ኲሉ ኣቓሑ ኣገልግሎት ቤት እግዚኣብሄር፡ 14ብመጠን ሚዛን ወርቂ ናይ ኣቓሑ ወርቂ፡ ንዂሉ ዓይነት ኣገልግሎት ዝኸውን ናይ ኲሉ ኣቓሑ፡ ብመጠን ሚዛን ናይ ዂሉ ኣቓሑ፡ ብመጠን ሚዛን ናይ ኲሉ ኣቓሑ ብሩር፡ ንዂሉ ዓይነት ኣገልግሎት ዝኸውን ናይ ኲሉ ኣቓሑ፡ 15ሚዛን ድማ ነቲ ናይ ወርቂ ቐዋሚታት ቀንዲልን ናይ ወርቂ ቕልዒታቱን፡ ሚዛን ነናይ ቀዋሚ ቐንዴልን ቅልዒታቱን፡ ሚዛን ከኣ ነቲ ናይ ብሩር ቀዋሚታት ቀነዲል፡ ከከም ምግልጋል እቲ ቐዋሚ ቐንዴል፡ ነናይ ቀዋሚ ቐንዴልን ቅልዒታቱን ሚዛን ሃቦ። 16ድማ ነቲ ሰደቓታት እንጌራ ምርኣይ፡ ነንሰደቓ ዝኸውን ወርቂ ብሚዛን፡ ንሰደቓታት ብሩር ከኣ ብሩር ሃቦ። 17ድማ ንሻኳታትን ጭሔሎታትን ኲስኲስትታትን ዝኸውን ጽሩይ ወርቂ፡ ንናይ ወርቂ ጽዋኣትውን ነንጽዋእ ብሚዛን፡ ንናይ ብሩር ጽዋኣት ከኣ ነንጽዋእ ብሚዛን ሃቦ። 18ነቲ መሰውኢ ዕጣን ዝኸውን እተዀልዔ ወርቂ ድማ ብሚዛን፡ ንምስሊ እቲ ሰረገላውን፡ ማለት እቶም ኣኽናፎም ዘርጊሖም ነቲ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ዝኸድኑ ኪሩቤል ነቲ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ዝኸድኑ ኪሩቤል ወርቂ፡ ሃቦ። 19ዳዊት ከኣ፡ እግዚኣብሄር እዚ ዂሉ ብጽሕፈት ካብ ኢዱ ንኣይ ናይ እዚ ምስሊ ስራሕ ኲሉ ኸም ዘስተውዕሎ ገበረኒ፡ በለ።
20ዳዊት ድማ ንወዱ ሰሎሞን በሎ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ እቲ ኣምላኸይ፡ ምሳኻ እዩ እሞ፡ ጽናዕን ትባዕን ስራሕን፡ ኣይትፍራህ፡ ኣይትሸበር ከኣ። እቲ ነገልግሎት ቤት እግዚኣብሄር ዝኸውን ኲሉ ዕዮ ኽሳዕ ዝውዳእ፡ ንሱ ኣይክጠልመካን ኣይክሓድገካን ከካ እዩ። 21እቶም ንዂሉ ኣገልግሎት ቤት ኣምላኽ ዝዀኑ ኽፍልታት ካህናትን ሌዋውያንን ድማ እነው። ኣብ ኲሉ ስራሕውን ንዝዀነ ዘበለ ዓይነት ዕዮ ፍቶትን ጥበብን ዘለዎም ሰባት ምሳኻ ዝዀኑ፡ እቶም ሓላቑን ብዘሎ እቲ ህዝብን ድማ ንዂሉ ትእዛዝካ ድልዋት እዮም።
1ይ ዜና ምዕራፍ 29
1ንጉስ ዳዊት ድማ ንብዘላ ማሕበር በላ፡ ወደይ ሰሎሞን፡ ኣምላኽ ንእኡ በይኑ ዝሓረዮ፡ ገና ንኡስን ልምሉምን እዩ፡ እቲ ዕዮ ግና ዓብዪ እዩ፡ እዚ ኣዳራሽ እዝስ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እምበር፡ ንሰብ ኣይኰነን። 2ኣነ ኸኣ ብዂሉ ሓይለይ ንቤት ኣምላኸይ ዝኸውን፡ ንናይ ወርቂ ነገር፡ ወርቂ፡ ንናይ ብሩር ነገር ከኣ ብሩር፡ ንናይ ኣስራዚ ነገር ድማ ኣስራዚ፡ ንናይ ሓጺን ነገር ከኣ ሓጺን፡ ንናይ ዕጨይቲ ነገርውን ዕጨይቲ፡ ኣዕናቑ እምንን ዝሳናቐር እምንን ጸሊም ዘንጸባርቕ እምንን፡ እተቐርጸ እምንን ኲሉ ዓይነት ክቡር እምንን እምነ በረድን ኣብዚሐ ኣዳሎኹ። 3ኣብ ልዕሊ እቲ ነቲ ቅድስቲ ቤት ኢለ ዘዳሎኽዎ ዂሉ ድማ፡ ናይ ርእሰይ መዝገብ ወርቅን ብሩርን ስለ ዘሎኒ፡ ወሲኸ ንቤት ኣምላኸይ እህብ ኣሎኹ፡ 4ሰለስተ ሽሕ ታለንት ወርቂ ኻብ ወርቂ ኦፊር፡ ሾብዓተ ሽሕ ታለንት ከኣ እተዀልዐ ብሩር ንምልባጥ እቲ መናድቕ ኣባይቲ፡ 5ወርቂ ንዘድሊ ኻብ ወርቂ፡ ብሩር ንዘድሊ ድማ ካብ ብሩር፡ አረ ብኢድ ብልሓተኛ ንዝግበር ዘበለ ዂሉ ስራሕ ከኣ እህብ ኣሎኹ። ሎሚ ኢዱ ብፍታው መሊኡ ንእግዚኣብሄር ዝህብ መን ኣሎ
6ሽዑ እቶም ሓላቑ ማይ ቤት ኣቦታትን ሓላቑ ነገዳት እስራኤልን ሓላቑ ሽሕን ሓላቑ ሚእትን ምስቶም ሓላቑ እቲ ስራሕ ንጉስን ብፍታው ሃቡ። 7ንዕዮ ቤት ኣምላኽ ከኣ ሓሙሽተ ሽሕ ታለንት ወርቅን ዓሰርተ ሽሕ ዳሪክን ዓሰርተ ሽሕ ታለንት ብሩርን ዓሰርተው ሾሞንተ ሽሕ ተለንት ኣስራዝን ሚእቲ ሽሕ ታለንት ሓጺንን ሃቡ። 8እቲ ኽቡር ኣእማን እንረኽቦ ኸኣ ኣብ ትሕቲ ኢድ የሒኤል እቲ ጌርሾናዊ፡ ናብ መዝገብ ቤት እግዚኣብሄር ኣእተዎ። 9ንእግዚኣብሄር ብፍጹም ልቢ ፈትዮም ስለ ዝሃቡዎ፡ እቲ ህዝቢ በቲ ብምፍታው ምሃቦም ተሓጐሰ። ንጉስ ዳዊት ከኣ ዓብዪ ሓጐስ ተሓጐሰ።
10ዳዊት ድማ ኣብ ቅድሚ ብዘላ ማሕበር ንእግዚኣብሄር ባረኾ፡ በለ ኸኣ፡ ኣታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦና እስራኤል፡ ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ብሩኽ ኩን። 11ጐይታየ፡ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ዘሎ ዘበለ ዂሉ ናትካ እዩ እሞ፡ ዕቤትን ስልጣንን ክብርን ዓወትን ግርማን ናትካ እዩ። ጐይታየ፡ እታ መንግስትካ ናትካ እያ፡ ኣብ ልዕሊ ዂሉ ኸኣ ከም ርእሲ ልዕል በልካ። 12ሃብትን ክብረትን ካባኻ እየን ዝመጻ፡ ንስኻ ድማ ኣብ ልዕሊ ዂሉ ትገዝእ፡ ሓይልን ስልጣንን ከኣ ኣብ ኢድካ እዩ። ንዝዀነ ዘበለ ዓብዪን ጽኑዕን ምግባሩ ድማ ኣብ ኢድካ እዩ። 13ሕጂ ኸኣ፡ ዎ ኣምላኽና፡ ንሕና ነመስግነካ ንኽቡር ስምካውን ንውድሶ ኣሎና። 14ከምቲ ብፍታው ከነቕርብ ዝኸኣልናስ፡ ኲሉ ኻባኻ ደኣ እዩ፡ ካብ ኢድካውን ኢና ሂብናካ ዘሎና እሞ፡ ኣነ መን እየ እዞም ህዝበይከ እንታይ እዮም 15ንሕና ኣብ ቅድሜኻ ኸም ኲሎም ኣቦታትና መጻእተኛታትን ኣጋይሽን ኢና፡ ዕለታትና ኣብ ምድሪ ኸም ጽላሎት እየን፡ ዝነብር ከኣ የልቦን። 16ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽና፡ ኲሉ እዚ ንቕዱስ ስምካ ቤት ክንሰርሓሉ ኢልና ኣዳሊናዮ ዘሎና ድልቢ፡ ካብ ኢድካ ዝመጸ እዩ፡ ኲሉ ኸኣ ናትካ እዩ። 17ኣታ ኣምላኸየ፡ ንስኻ ልቢ ኸም እትፍትን ቅንዕናውን ከም እትፈቱ እፈልጥ ኣሎኹ። ኣነ ኸኣ እዚ ዂሉ ብቕንዕና ልበይ ብፍታው ኣቕሪበልካ ኣሎኹ። ሕጂ ድማ እዚ ኣብዚ ዘሎ ህዝብኻ ፈትዩ ከቕርበልካ ብሓጐስ ርእየ እየ። 18ዎ እግዚኣብሄር፡ ኣምላኽ ኣቦታትና ኣብርሃምን ይስሃቅን እስራኤልን፡ ነዚ ናይ ህዝብኻ እማመ ሓሳባት ልቦም ንዘለኣለም ሓሉ፡ ልቦም ከኣ ንኣኻ ኣዳሉ። 19ንወደይ ሰሎሞንውን ትእዛዛትካን ምስክራትካን ሕጋጋትካን ክሕሉ፡ ንዂሉ ድማ ክገብሮ፡ ነዚ ንእኡ ኢለ ዘዳልዎ ዘሎኹ ኣዳራሽውን ክሰርሕ ፍጹም ልቢ ሃቦ። 20ዳዊት ድማ ንብዘሎ ማሕበር፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ባርኽዎ፡ በለ። ሽዑ ብዘሎ ማሕበር ንእግዚኣብሄር፡ ኣምላኽ ኣቦታቱ ባረኸ፡ ድንን ድማ በሉ፡ ንእግዚኣብሄር ንንጉስን ከኣ ሰገዱ። 21ነዛ መዓልቲ እዚኣስ ብጽባሒታ ድማ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ሕሩድ ሰውኡ፡ ዝሓርር መስዋእቲ ኸኣ ንእግዚኣብሄር ኣዕረጉሉ፡ ሽሕ ብዕራይ፡ ሽሕ ድዑል፡ ሽሕ ገንሸል፡ መምስ ናይ መስተ መስዋእትታቶም፡ ብዙሕ መስዋእቲ ሕሩድ ድማ ምእንቲ ዂሉ እስራኤል ሰውኡ። 22በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ብዓብዪ ሓጐስ በልዑን ሰተዩን። ንሰሎሞን ወዲ ዳዊትውን ካልኣይ ግዜ ኣንገስዎ። ንእኡ መስፍን ንእግዚኣብሄር ክኸውን ንጻዶቅውን ካህን ክኸውን ቀብእዎም። 23ሽዑ ሰሎሞን ኣብ ክንዲ ኣቦኡ ዳዊት ንጉስ ኰይኑ፡ ኣብ ዝፋን እግዚኣብሄር ተቐመጠ ሰለጦውን፡ ብዘለው እስራኤል ከኣ ይእዘዝዎ ነበሩ። 24ኲሎም ሓላቑን ጀጋኑን ኲሎም ደቂ ንጉስ ዳዊትን ድማ ኣብ ትሕቲ ንጉስ ሰሎሞን ተገዝኡ። 25እግዚኣብሄር ከኣ ንሰሎሞን ኣብ ቅድሚ ብዘሎ እስራኤል ክብ ኣቢሉ ኣዝዩ ኣዕበዮ፡ ቅድሚኡ ኣብ እስራኤል ንዝነበረ ዘበለ ንጉስ ዘይነበሮ፡ ግርማ መንግስቲ ንንጉስ ሰሎሞን ሃቦ።
26ዳዊት ወዲ እሴይ ግና ኣብ ልዕሊ ብዘሎ እስራኤል ነጊሱ ነበረ። 27እቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝገዝኣሉ ዘመን ከኣ ኣርብዓ ዓመት እዩ፡ ኣብ ሔብሮን ሾብዓተ ዓመት ገዝአ፡ ኣብ የሩሳሌም ድማ ሰላስን ሰለስተን ዓመት ገዝአ። 28ዕድመን ሃብትን ክብረትን ጸጊቡ ኸኣ ብጽቡቕ ሽምግልና ሞተ። ኣብ ክንዳኡ ድማ ወዱ ሰሎሞን ነገሰ።
29እቲ ናይ ንጉስ ዳዊት ነገራት፡ ቀዳሞትን ዳሕሮትን፡ ንሳቶም ኣብ ዛንታ ሳሙኤል እቲ ረኣዪን ኣብ ዛንታ ነብዪ ናታንን ኣብ ዛንታ እቲ ረኣዪ ጋድን ተጽሒፎም ኣለው። 30ምስ ብዘሎ ምግዛኡን መንፍዓቱን እቲ ንእኡን ንእስራኤልን ንናይ ኲለን ሃገራት መንግስትታትን ዝበጽሖም ኲነታትን ተጽሒሩ ኣሎ።