ደጉዓ ኤርምያስ

1  2  3  4  5

ዝ/ምዕ    ብ/ኪ   ሓ/ኪ

        ድ. ኤርምያስ  ምዕራፍ 1

     1እዛ ህዝቢ ጃርጃር ዝብለላ ከተማ

ከመይ ኢላ እያ ጸምያ እትቕመጥ ዘላ፡

እዛ ኣብ ህዝብታት ዓባይ ዝነበረት ከመይ ኢላ መበለት ኰነት፡

እዛ ወይዘሮ ኣውራጃታትሲ ገባር ኰነት።

     2ለይቲ ብኽያት ትበኪ፡ ንብዓታ ኣብ ምዕጒርታ ይውሕዝ፡

ካብ ኲሎም እቶም ፈተውታ ሓደ እኳ ዘጸናንዓየልቦን ፡

ኲሎም ኣዕሩኻ ጠለምዋ እሞ ጸላእታ ኾኑ።

     3ብሰሪ ሓሳርን ብርቱዕ መግዛእትን ይሁዳ ተማሪኻ ኣላ፡

ኣብ ማእከል ኣህዛብ ሰፊራ፡ ህድኣት ከኣ ስኢና ኣላ፡

ኲሎም ተሳጐጒታ ኣብ ጸበባኣ ኣርከብዋ።

     4ናብ በዓል ዝመጽእ የልቦን እሞ፡ መገድታት ጽዮን ይሓዝን፡

ኲሉ ደጌታታ ዖንዩ፡ ካህናት ይትክዙ ኣለዉ።

ደናግላ ጒህየን፡ ንሳ ድማ ተመሪራ ኣላ።

     5ብሰሪ ብዝሒ ኣበሳኣ እግዚኣብሄር ሓዘን ኣውረደላ እሞ፡

ወደረኛታታ ርእሲ ዀኑ፡ ጸላእታ ይቐንዖም ኣሎ።

ደቃ ተማሪኾም ቀቅድሚ ጸላኢ ከዱ።

     6ኵሉ ግርማ ጓል ጽዮን ካብኣ ኣግለሰ።

መሳፍንታ ከም ዝብላዕ ዝሰኣና እራባት ኰኑ፡

ቀቅድሚ ሰጓጒ ንምህዳም ተሓለሉ።

     7የሩሳሌም ብመዓልትታት መከራኣን ምዂብላላን

ናይ ጥንቲ ኽቡር ገንዘብ ትዝክር ኣላ።

ህዝባ ኣብ ኢድ ጸላኢ ወዲቑስ ረዳኢ ምስ ሰኣነ፡

ጸላእቲ እናሽካዕለሉ ጥፍኣታ ረኣዩ።

     8የሩሳሌም ብርቱዕ ሓጢኣት ገበረት፡ ስለዚ ከም ርኽስቲ ዀነት፡

እቶም ዘኽብርዋ ዝነበሩ ዂሎም ዕርቃና ርእዮም ነዓቕዋ።

ንሳውን እህህ እናበለት ንድሕሪት ትምለስ ኣላ።

     9ርኽሰታ ኣብ ዘፈር ክዳና ኣሎ፡ መወዳእታኣ ኣይሓሰበቶን፡

ስለዚ ምውራዳ መስደምም እዩ፡ ዘጸናንዓውን የልቦን፡

ጻላኢ ይዕበ ኣሎ እሞ፡ ዎ ጐይታይ፡ ጸበባይ ርኤ።

     10ኣብ ማሕበርካ ከይኣትው ዝኸልከልካዮም ኣህዛብ

ኣብ መቕደሳ ክኣትዉ ረኣየት እሞ፡

ኣብ ኲሉ ከቡር ጥሪታ ጸላኢ ኢዱ ዘርግሐ።

     11ኲሉ ህዝባ እናተከዘ እንጌራ ይደሊ ኣሎ፡

ነፍሶም ክትቀስንሲ ከቡር ጥሪቶም ንምግቢ ሃቡ።

ዎ ጐይታ፡ ተዋሪደ እየ እሞ፡ ርኤ ጠምትውን።

     12ኣቱም ሓለፍቲ መገዲ ኩላትኩም እስከ ኣስተዋድይዎ፡

ከምቲ በታ መዓልቲ ጒሁር ቁጥዓኡ

እግዚኣብሄር ዘጒሃየኒ ሓንቲ ስቓይ

ከምታ እተቐጻዕኩላ ስቓየይ እንተ ኣልያስ፡ ጠምቱ እሞ ተመልከቱ።

     13ካብ ላዕሊ ናብ ኣዕጽምተይ ሓዊ ሰደደ፡ ንሱ ኸኣ ኣሕመቖ።

ነእጋረይ መፈንጠራ ዘርግሐ፡ ንድሕሪት ድማ መለሰኒ፡

ኣብረስኒ ንዂሉ መዓልቲውን ኣማህመነኒ።

     14ኣርዑት ኣበሳይ ብኢዱ ተኣስረ፡ ተጠላሊፉ ኣብ ክሳደይ ተነብረ፡

ንሱ ሓይለይ ኣድከመ።

ጐይታ ኣብ ኢድ እቶም ክቃወሞም ዘይከኣለኒ ኣሕሊፉ ወፈየኒ።

     15እግዚኣብሄር ንዂሎም ጀጋኖይ ኣብ ማእከለይ ራዕ ኣበሎም።

ኣጒባዘይ ክጭፍልቕ፡ ኣኼባ ኣኽተተለይ።

ጐይታ ነታ ድንግል ጓል ይሁዳ ኣብ መጽመቚ ወይኒ ረገጻ።

16ስለዚ ኣነ እበኪ፡ ኣዒንተይ፡ ኣዒንተይ ንብዓት ይዝቈቛ።

ንነፍሰይ ዘቕስና መጸናንዒ ካባይ ርሒቑ እዩ እሞ፡

ጸላኢ ስለ ዝሰዓረ፡ ደቀይ በረሱ።

     17ጽዮን ኣእዳዋ ትዝርግሕ፡ ዘጸናንዓ ኣይተረኽበን።

እግዚኣብሄር ንያእቆብ ዝኸብዎ ጸላእቲ ኣዘዘሉ።

የሩሳሌም ኣብ ማእከሎም ከም ርኽስቲ ኾነት።

     18ንኣፉ ተጻሪረ ነይረ እየ እሞ፡ እግዚኣብሄር ጻድቕ እዩ።

ኣቱም ህዝብታት ኲላትኩም፡ ስምዑ ስቓየይውን ርኣዩ፡

ደናግለይን ኣጒባዘይን ተማሪኾም ከዱ።

     19ንፈተውተይ ጸዋዕክዎም፡ ግናኸ ኣስሓቱኒ።

ካህናተይን ዓበይተይን ነፍሶም ከቕስኑ፡

ምግቢ ክልምኑ ከለዉ ኣብ ከተማ ሓለቑ።

     20ዎ እግዚኣብሄር፡ ሓዚነ ከም ዘሎኹ ርኤ።

ኣዝየ ተጻሪረ እየ እሞ ኣምዑተይ ተዀሰ፡

ልበይ ኣብ ውሽጠይ ተገልበጠ፡

ደቀይ ኣብ ግዳም ብሰይፊ ተወድኡ፡

ኣብ ከብዲ ቤት ከኣ ከም ሞት ኣሎ፡

     21ቁዝማይ ስምዑ፡ ዘጸናንዓኒ የልቦን።

ኲሎም ጸላእተይ መከራይ ሰምዑ፡ ንስኻ ስለ ዝገበርካዮ ተሓጐሱ።

ነታ ዝበልካያ መዓልቲ ከተምጽኣ ኢኻ፡

ሽዑ ከምዚ ኸማይ ክዀኑ እዮም።

     22ኲሉ እከዮም ኣብ ቅድሜኻ ይብጻሕ፡

ብኽያተይ በዚሑ፡ ልበይ ተሓሊሉ እዩ እሞ፡

ከምቲ ብሰሪ ዂሉ ኣበሳይ ዝገበርካኒ፡

ከምኡ ድማ ንኣታቶም ግበሮም።

ዝ/ምዕ    ብ/ኪ   ሓ/ኪ

        ድ. ኤርምያስ  ምዕራፍ 2            

     1ከመይ ኢሉ ዀን እግዚኣብሄር

ብዂራኡ ንጓል ጽዮን ብደበና ኣጐልበባ።

ንኽብሪ እስራኤል ካብ ሰማይ ናብ ምድሪ ደርበዮ፡

ብመዓልቲ ቚጥዓኡ ኸኣ ንድኳ ኣእጋሩ ኣይዘከረን።

     2እግዚኣብሄር ንዂሉ መሓድር ያእቆብ ብዘይ ምሕረት ወሓጦ፡

ብቚጥዓኡ ንዕርድታት ጓል ይሁዳ ኣፍረሶ፡ ኣሕመድመዶ፡

መንግስትን መሳፍንታን ከኣ ኣርከሰ።

     3በቲ ጒሁር ኲራኡ ድማ ንዂሉ ቐርኒ እስራኤል ሰልዐ፡

ካብ ጸላኢ ከኣ ንየማነይቱ መለሳ፡

ከምቲ ንኸባቢኡ ዝልቚምጽ ሃልሃልታ ሓዊ ንያእቆብ ሞዂ ኣበሎ።

     4ከም ጸላኢ ቐስቱ ገተረ፡

ከም ወደረኛ የማኑ ኣልዓለ፡ ንዓይኒ ዘብህግ ዘበለ ቐተለ፡

ኣብቲ ድንኳን ጓል ጽዮን ነድሩ ከም ሓዊ ከዓወ።

     5እግዚኣብሄር ከም ጸላኢ ዀነ፡ ንእስራኤል ወሓጣ፡

ንዂሉ ኣዳራሻታ ወሓጦ፡ ንዕርድታታ ኣፍረሶ፡

ኣብ ጓል ይሁዳ ከኣ ዋይዋይን ቁዝማን ኣብዝሐ።

     6ድንኳን ከም ኣታኽልቲ መንቈሰ፡ ንስፍራ መኣከቢኡ ኣፍረሰ፡

እግዚኣብሄር ኣብ ጽዮን ንበዓልን ሰንበትን ኣረስዖ፡

ብዂራ ነድሩውን ንንጉስን ካህንን ኣቃለለ።

     7እግዚኣብሄር መሰውኢኡ ደርበየ፡ መቕደሱውን ንሕርሚ ወፈየ፡

ቀጽሪ ኣዳራሻታ ኣብ ኢድ ጸላእቲ ኣሕለፈ፡

ከም ብመዓልቲ በዓል ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዓው ኢሎም ጨደሩ።

     8እግዚኣብሄር ንቐጽሪ ጓል ጽዮን ከፍርስ መደበ፡

ገመድ መለክዒ ዘርግሐ፡ ካብ ምጥፋእሲ ኢዱ ኣይመለሰን።

ሓጹርን ቀጽርን ኣሕዘነ፡ ኲሉ ብሓደ ማሰነ።

     9ደጌታታ ኣብ ምድሪ ጠሓለ፡ ንመሃርሃሪታታ ኣብረሶ፡ ሰባበሮ፡

ንጉሳን መሳፍንታን ኣብ ማእከል ኣህዛብ ኣለዉ፡ ደጊም ሕጊ የልቦን።

ነብያታውን ራእይ ካብ እግዚኣብሄር ኣይረኽቡን።

     10እቶም ዓበይቲ ጓል ጽዮን

ትም ኢሎም ኣብ ምድሪ ይቕመጡ ኣለዉ፡

ሓመድ ኣብ ርእሶም ነስነሱ፡ ከሊውን ለበሱ።

ደናግል የሩሳሌም ርእሰን ናብ ምድሪ ኣድነና።

     11ብምኽንያት ጒድኣት ጓል ህዝበይ

ሕጻናትን ዕሸላትን ኣብ ኣደባባያት ከተማ ስለ ዘሕለለዉ፡

ኣዒንተይ ብንብዓት ተበላሸወ፡ ኣምዑተይ ተዀሰ፡

ከብደይ ኣብ ምድሪ ተዂዖ።

     12ኣበይ ኣሎ እኽልን ወይንን፧ እናበሉ ነዴታቶም ይሓቱ፡

ኣብ ኣደባባይ ከተማ ከም ውጉኣት ኣሕለልዮም ራዕ ይብሉ ኣለዉ፡

ነፍሶም ናብ ሕቚፊ ኣዴታቶም ትኲዖ ኣላ።

     13ኣቲ ጓል የሩሳሌም፡ እንታይ ክምስክረልኪ፧

ብምንታይ እሞ እየ ዘምዓራርየኪ፧

ከጸናንዓክስ ብምንታይ እየ ዝምስለኪ፧

ኣቲ ድንግል ጓል ጽዮን፡

መስበርትኺ ዓብዪ ከም ባሕሪ እዩ እሞ፡ መን የሕውየኪ፧

     14ነብያትኪ ከንቱን ጥበራን ረኣዩልኪ፡

ንግራት ከንቱነትን ምርኮን ረኣዩልኪ እምበር፡

ካብ ምርኮ ምእንቲ ከትድሕንስ፡ ኣበሳኺ ኣይቀልዑልክን።

     15ኲሎም ሓለፍቲ መገዲ ንጓል የሩሳሌም፡

እዚኣዶ እያ እታ ፍጹም ዝመልክዓ፡

ሓጐስ ኲሉ ምድሪ እትብሃል ከተማ፧ ኢሎም ይፋጽዩላ፡

ርእሶም ይንቕንቑላ፡ ኣላጊጾም ኣእዳዎም የጣቕዑላ።

     16ኲሎም ጸላእትኺ ኣፎም ኣባኺ ይኸፍቱ፡

ውሒጥናያ፡ ብሓቂ እዚኣስ እታ እተጸበናያ መዓልቲ እያ፡

ኣርከብናላን ርኤናያን፡ ኢሎም እናፋጸዩ ኣስናኖም ይነኽሱ ኣለዉ።

     17እግዚኣብሄር ነቲ ዝሓለኖ ገበረ፡

ነቲ ካብ ጥንቲ ሒዙ ዝነገረሉ ቃል ፈጸመ።

ኣፍረሰ እሞ ኣይደንገጸን፡

መሓጐስ ጸላኢውን ገበረኪ፡ ቀርኒ ተጻረርትኺ ኣልዓለ።

     18ልቦም ናብ እግዚኣብሄር ኣእወየ፡

ኣቲ ቐጽሪ ጓል ጽዮን፡ ለይትን መዓልትን ከም ውሒዝ ኴንኪ፡

ንብዓት ኣውሕዚ፡ ከቶ ኣይትዕረፊ፡ መርዓት ዓይኒኺ ኣይተዕርፊ።

     19ኣብ መመጀመርታ ሕልዋ ተንስኢ፡ ብለይቲ ጨድሪ፡

ኣብ ቅድሚ ገጽ እግዚኣብሄር ልብኺ ከም ማይ ከዓዊ።

ስለ ነፍሳት እቶም ኣብ መኣዝን ኲሉ መገዲ

ጠምዮም ዘሕለልዉ ሕጻናትኪ ኣእዳውኪ ናብኡ ኣልዕሊ።

     20ጐይታየ፡ ርኤ እሞ ጠምት፡ ንመንከ ከምዚ ገበርካዮ፧

ኣንስቲዶ ፍረ ማሕጸነን ዝሓቚፋኦም ሕጻናት ይበልዓ፧

ካህንን ነብይንዶ ኣብ መቕደስ እግዚኣብሄር ይሕረዱ፧

     21ቈልዑን ኣረገውትን ኣብ መሬት

ኣብ ኣደባባያት ተራዒቶም ኣለዉ፡

ጐረዞይን ኣጒባዘይን ከኣ ብሰይፊ ወደቑ።

ብመዓልቲ ኹራኻ ቐተልካዮም፡ ብዘይ ድንጋጽ ሓረድካዮም።

     22ንመፍርህየይ ካብ ኲሉ ወገን ከም ብመዓልቲ በዓል ጸዋዕካለይ።

ብመዓልቲ ዂራ እግዚኣብሄር ዘምልጥን ዝተርፍን የልቦን።

ነቶም ዝሓቘፍክዎምን ዘዕበኽዎምን እቲ ጸላእየይ ኣጽነቶም።

ዝ/ምዕ    ብ/ኪ   ሓ/ኪ

        ድ. ኤርምያስ  ምዕራፍ 3            

     1ኣነ ብሸቦጥ ቁጥዓኡ ሽጋር ዝርኤኹ ሰብኣይ እየ።

2ንሱ መርሓኒ፡ ብብርሃን ዘይኰነስ ብጸልማት ወሰደኒ።

3ብሓቂ መመሊሱ መዓልቲ ብመልኣ ኢዱ ኣባይ ይመልስ ኣሎ።

     4ንስጋይን ቈርበተይን ኣእረጎ፡ ንዓጻጽምተይ ሰበሮ።

5ኣብ ከባብየይ ቀጽሪ ሰርሐ፡ ብመርዝን ድኻምን ከኣ ሓጸረኒ።

6ከምቶም ቀደም ዝሞቱ ኣብ ጸልማት ኣንበረኒ።

     7ከይወጽእሲ ብመንደቕ ከበበኒ፡ ንሰንሰለተይ ኣኽበዶ።

8እንተ ጠራዕኩን ኣእዌኹን እኳ፡ ንጸሎተይ መሕለፊ ዓጸወሉ።

9ብቕሩጽ እምኒ ንጐደናታተይ ዓጸዎ፡

ንመገድታተይ ጥውጥዋይ ገበሮ።

     10ከም ዘድበየ ድቢ፡ ተሓቢኡ ከም ዝቃጾ ኣንበሳ ኮነኒ።

11ንመገደይ ኣዘምበሎ፡ ሰባበረኒ ኣዕነወኒውን።

12ቀስቱ ገተረ፡ ንፍላጻ ከኣ ዕላማ ገይሩ ኣቘመኒ።

     13ብፍላጻታት ጒልድባኡ ኮላሊተይ ወግአ።

14መላገጺ ኩሉ ህዝበይ፡ መዓልቲ ብመልኣ መድረፊኦም ኰንኩ።

15ብመሪር ኣጽገበኒ፡ ዕረ ኣስተየኒ።

16ኣስናነይ ብጸጸር ሰበረ፡ ብሓመዂስቲ ኣጐልበበኒ።

     17ነፍሰይ ካብ ሰላም ኣርሓቕካ፡ ነቲ ጽቡቕ ረሳዕክዎ።

18ኣነ ከኣ፡ ሓይለይን ብእግዚኣብሄር ተስፋይን ህልም በለ፡ በልኩ።

     19ሽጋረይን ኰብለል ምባለይን፡ እቲ ዕረን መርዝን ዘክር።

20ነፍሰይ ከየባተኸት ትዝክሮ፡ ኣብ ውሽጠይ ከኣ ደኒና ኣላ።

     21እዚ ኣብ ልበይ ኤንብር፡ ስለዚ ድማ ተስፋ እገብር።

22ምሕረቱ ኣይተወድአን እዩ እሞ፡

ጥራስ ዘይጠፋእናስ ጸጋ እግዚኣብሄር እዩ።

23ኣብ ጸጽባሕ ሓድሽ እዩ፡ እሙን ምዃንካ ዓብዪ እዩ።

24ነፍሰይሲ፡ ግደይ እግዚኣብሄር እዩ፡

ስለዚ ብእኡ ተስፋ እገብር፡ ትብል ኣላ።

25እግዚኣብሄር ነቶም ዝጽበይዎ፡ ነታ እትደልዮ ነፍሲ ሰናይ እዩ።

26ንምድሓን እግዚኣብሄር ተስፋ ምግባርን

ብህድኣት ምጽባይን ሰናይ እዩ።

27ንሰብኣይ ብንእስነቱ ኣርዑት ምጻር ሰናይ እዩ።

     28ኣሰኪምዎ እዩ እሞ፡ ትም ኢሉ በይኑ ይቀመጥ።

29ምናልባሽ ተስፋ ይህልዎ እዩ፡ ኣፉ ደኣ ኣብ ሓመድ የድንን፡

30ንዝወቕዖ መልትሑ ይምለሰሉ ብጸርፊውን ይጽገብ።

     31እግዚኣብሄርሲ ንዘለኣለም ኣይውግድን እዩ እሞ፡

32እንተ ኣጒሃየ እኳ፡ ከምቲ ብዝሒ ጸጋኡ ይርሕርሕ እዩ።

33ንደቂ ኣዳም ዘዋርዶምን ዘጒህዮምንሲ ብፍታው ልቡ ኣይኰነን።

     34ንዂሎም እሱራት ምድሪ ኣብ ትሕቲ እግሪ ምርጋጾም፡

35ኣብ ቅድሚ ገጽ እቲ ልዑል መሰል ሰብኣይ ምቕናኖም፡

36ንሰብ ብነገሩ ዓጋቢ ምግባርሲ፡ ነዚዶ እግዚኣብሄር ኣይርእዮን እዩ፧

     37እግዚኣብሄር ዘይኣዘዞስ፡ እተዛረበ እሞ ዝዀነሉ መን እዩ፧

38ክፉእን ጽቡቕን ካብ ኣፍ እቲ ልዑልዶ ኣይወጽእን እዩ፧

39ስለምንታይ እቲ ህያው ሰብ የጒረምርም፧

ነፍሲ ወከፍ ብሓጢኣቱ ደኣ የጒረምርም።

40መገድና ንተዓዘብን ንመርምርን እሞ ናብ እግዚኣብሄር ንመለስ።

     41ልብና ምስናይ ኣእዳውና ናብ እግዚኣብሄር ኣብ ሰማይ ነልዕል።

42ንሕና በደልናን ዓሎናን፡ ንስኻውን ይቕረ ኣይበልካን።

     43ብዂራ ተጐልበብካን ሰጐጒካናን፡ ብዘይ ምሕረት ቀተልካ።

44ጸሎት ከይሓልፍሲ፡ ደበና ተጐልበብካ።

45ኣብ ማእከል ህዝብታት ጐሓፍን ፍንፋንን ገበርካና።

     46ኲሎም ጸላእትና ኣፎም ሃህ ኣበሉልና።

47ፍርሃትን ጕድጓድን ምፍራስን ጥፍኣትን በጽሓና።

48ብናይ ምጭፍላቕ ጓል ህዝበይ

ካብ ዓይነይ ውሒዝ ማይ ይውሕዝ ኣሎ።

     49-50እግዚኣብሄር ኣንቈልቁሉ ከሳዕ ዝርእን፡

ካብ ሰማይ ክሳዕ ዝጥምትንሲ፡

ዓይነይ ከይዓረፈን ከየቛረጸን ዘርባሕባሕ ይብል ኣሎ።

51ብምኽንያት ኲለን ኣዋልድ ከተማይ ዓይነይ ንነፍሰይ የሕዝና ኣሎ።

     52እቶም ብዘይ ምኽንያት ዝጸልኡኒ ከም ዑፍ ሃደኑኒ።

53ህይወተይ ኣብ ጒድጓድ ኣጥፍኡ፡ ኣብ ልዕለይ ከኣ እምኒ ደርበዩ።

54ማይ ኣብ ልዕሊ ርእሰይ ወሓዘ፡ ጥራስ ጠፍእኩ፡ በልኩ።

     55ካብ መዓሙቚ ጒድጋድ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ስምካ ጸዋዕኩ።

56ድምጸይ ሰሚዕካ፡ ካብ እህህታይን ጭርሓይን እዝንኻ ኣይትሕብኣዮ።

57በታ ዝጸዋዕኩኻ መዓልቲ ቐረብካ፡ ኣይትፍራህ፡ በልካ።

     58ዎ ጐይታይ፡ ንነገር ነፍሰይ ተጣበቕካ፡ ንህይወተይ ተበጆኻ።

59ዎ ጐይታይ፡ ነቲ ዝወረደኒ ግፍዒ ርኤኻ፡ ፍትሒ ኣውጽኣለይ።

60ኲሉ እቲ ቒሞም፡ ኣባይ ዝጠለፍዎ ኩሉ ውዲቶም ርኤኻ።

     61-62ዎ ጐይታይ፡ ኲሉ ጸርፎም፡ ኲሉ ኣባይ ዝጠለፍዎ ውዲቶም፡

ከናፍር እቶም ተቓወምተይ፡

ምሉእ መዓልቲ እኩይ ዝመኽሩለይ ሰማዕካ።

63ኣብ ምቕማጦምን ምትንሳኦምን እሞ ጠምት፡

ኣነስ መድረፊኦም ኰይነ ኣሎኹ።

     64ዎ እግዚኣብሄር፡ ከም ግብሪ ኣእዳዎም ሕነ ፍደዮም።

65ድርቅና ልቢ ሃቦም፡ መርገምካ ኣውርደሎን።

66ብቚጥዓ ስጐጎም፡ ካብ ትሕቲ ሰማይ እግዚኣብሄር ኣጽንቶም።

ዝ/ምዕ    ብ/ኪ   ሓ/ኪ

        ድ. ኤርምያስ  ምዕራፍ 4            

     1ከመይ ኢሉኸ እቲ ወርቂ ጸለመ፡

እቲ ኣዝዩ ጽሩይ ወርቂ ተለወጠ።

ኣእማን እታ መቕደስ ኣብ መኣዝን ኲሉ ኣደባባያት ተዘርወ።

     2እቶም ጭዋታት ደቂ ጽዮን፡ ከም ጽሩይ ወርቂ ዝኸበሩ፡

ከመይ ኢሎምከ ከም ኣቓሑ መሬት፡

ከም ስራሕ ኣእዳው ሰራሕ መሬት ተቘጽሩ።

     3ወኻሩ እኳ ኸይተረፋ፡ ኣጥባተን ሂበን፡ ንዀራኲረን የጥብዋ።

እታ ጓል ህዝበይ ግና ከም ሰገን በረኻ ጨከነት።

     4ልሳን እቲ ዕሸል ብጽምኢ ኣብ ትንሓጉ ጠበቐ።

ቈልዑ እንጌራ ይልምኑ፡ ዝቘርሰሎም ከኣ የልቦን።

     5እቶም ጥዑም ምግቢ ዝበልዑ ዝነበሩ ኣብ ኣደባባያት ይወድቁ።

እቶም ብቐይሕ ሃሪ ዝዓበዩ ጐድፍ ይሓቚፉ።

     6ኣበሳ እታ ጓል ህዝበይ ካብታ ኣእዳው ከይተንከያ፡

ብድንገት እተገልበጠት ሶዶም፡ ካብ ሓጢኣታ ይዓቢ።

     7መሳፍንቲ ኻብ በረድ ዘንጸባርቑ፡ ካብ ጸባ ዝጽዕድዉ፡

ስጋኦም ካብ ቀይሕ ዕንቊ ዝቐይሕ፡

መልክዖም ከም ሰፊሮስ ነበረ።

     8ገጾም ካብ ጸሊም ይጽልም፡ ኣብ ኣደባባያት ኣይልለዩን፡

ቈርበቶም ኣብ ዓጽሞም ጠቢቑ፡ ነቒጹ ከም ዕጨይቲ ኮይኑ ኣሎ።

     9ካብቶም ብጥሜት ዝሞቱ ብሰይፊ ዝሞቱ ይሕሾም፡

ፍረ ምድሪ ስለ እተሳእነ፡ ተወጊኦም ይማስኑ።

     10ርሕሩሓት ኣንስቲ እኳ በእዳወን ደቀን ኣብሰላ፡

በቲ ጥፍኣት ጓል ህዝበይ ምግቢ ኾኑወን።

     11እግዚኣብሄር ነድሩ ፈጸመ፡ ርሱን ቁጥዓኡ ከዓወ፡

መሰረታታ ሞዂ ዘበለ ሓዊ ኣብ ጽዮን ኣንደደ።

     12ነገስታት ምድርን ኣብ ዓለም ዝነብሩ ኩሎምንሲ

ተጻራርን ጸላእንብደጌታት የሩሳሌም ከም ዝኣቱ፡

ከቶ ኣይኣመኑን ነይሮም።

     13ብምኽንያት ሓጢኣት ነብያታን ብሰሪ ኣበሳ ካህናታን፡

ንሳቶም ኣብ ማእከላ ደም ጻድቃን ስለ ዘፍሰሱ እዚ ኾነ።

     14ሰብ ክዳውንቶም ንምትንካይ ክሳዕ ዝፍንፍን፡

ብደም ዝላላ ዀኑ፡

ከም ዕውራት ኰይኖም ኣብ ኣደባባያት ዕግንግን ይብሉ ኣለዉ።

     15ርሓቑ፡ ኣቱም ርኹሳት፡ ርሓቑ፡ ርሓቑ ኣይትተንክዩ፡

ኢሎምይጭድሩሎም። ሃዲሞም ኰብለል በሉ።

ኣብ ማእከል ህዝብታት፡

ድሕርዝስ ኣብዚ ኣይክቕመጡን እዮም፡ ተባህለ።

     16ገጽ እግዚኣብሄር ፋሕ ኣበሎም፡ መሊሱ ቚሊሕ ኣይብሎምን፡

ንሳቶም ንካህናት ኣየኽበሩን፡ ንኣረገውቲ ኸኣ ኣይደንገጹን።

     17ንኸንቱ ደገፍ እናጠመትና፡ ገና ኣዒንትና ደኺመን ኣለዋ።

ብምጽባይናስ ነቲ ምድሓን ዘይከኣሎ ህዝቢ ተጸበና።

     18በደባባይና ከይንኸይድ፡ ስጓሞና ይስልዩ፡

መወዳእታና ቐረባ፡ መዓልትታትና ኣኸለ፡ መወዳእታና በጽሐ።

     19ሰጐጒትና ካብ ንስሪ ሰማይ ቀልጠፉ፡

ኣብ ኣኽራን ሃደኑና፡ ኣብ ምድረ በዳ ኣድበዩልና።

     20እቲ እግዚኣብሄር ዝቐብኦ፡

ብዛዕባኡ፡ኣብ ማእከል ህዝብታት

ኣብ ጽላሉ ኽንነብር ኢና፡

ዝበልናዮ መተንፈስ ትንፋስና ኣብ ጐደጒዶም ተታሕዘ።

     21ኣቲ ኣብ ሃገር ኡጽ እትነብሪ ጓል ኤዶም፡

ተሓጐሲ፡ ደስ ይበልኪ፡

እቲ ጽዋእሲ ናባኺውን ክሓልፍ እዩ፡

ክትሰኽርን ጥራይኪ ኽትኰንን ኢኺ።

     22ኣቲ ጓል ጽዮን፡ ኣበሳኺ ተወድአ፡

ደጊምሲ ኣይከማርኸክን እዩ።

ኣቲ ጓል ኤዶም፡ ኣበሳኺ ክቘጽር እዩ፡

ሓጢኣትኪ ኽገልጽ እዩ።

ዝ/ምዕ    ብ/ኪ   ሓ/ኪ

        ድ. ኤርምያስ  ምዕራፍ 5            

     1ጐይታየ፡ እቲ ዝወረደና ዘክር፡

እቲ ነውርና ጠምትን ርኤን።

      2ርስትና ኣብ መጻእተኛታት፡

ኣባይትና ኣብ ጓኖት ሓለፈ።

     3ኣቦ ዘይብልና ዘኽታማት ኰንና፡

ኣዴታትና ከም መበላሉ ዀና።

     4ማይ ብዋጋ ንሰቲ፡

ዕጨይትና ብመሸጣ ይመጸና።

     5ሰጐጒትና ኣብ ክሳድና እዮም፡

ተሓለልና፡ ዕረፍቲ ሰኣንና።

     6እንጌራ ምእንቲ ከንጸግብሲ፡

ኢድና ንግብጽን ኣሶርን ወፌና።

     7ኣቦታትና ሓጢኣት ገበሩ፡ የለዉን ከኣ፡

ንሕና ድማ ኣበሳኦም ጾርና።

     8ባሮት ይገዝኡና ኣለዉ፡

ካብ ኢዶም ዘናግፈና ከኣ የልቦን።

     9ኣብ ቅድሚ ሰይፊ በረኻ፡ ህይወትና እናተዋልአት፡

እንጌራና ነምጽእ ኣሎና።

     10ካብቲ ረስኒ ጥሜት እተላዕለ

ቈርበትና ከም እቶን ጸለመ።

     11ኣንስቲ ኣብ ጽዮን፡

ደናግል ኣብ ከተማታት ይሁዳ ኣተሓረቑ።

     12መሳፍንቲ በእዳዎም ተሓንቁ፡

ገጽ ኣረገውቲ ኣየኽበሩን።

     13ኣጒባዝሲ መጥሓን ተሰከሙ፡

ናእሽቱ ከኣ ኣብ ትሕቲ ዕጨይቲ ሰንከልከል በሉ።

     14እቶም ኣረገውቲ ኣፍ ደገ፡

እቶም ኣጒባዝ ከኣ ደሃይ በገናኦም ሓደጉ።

     15ታሕጓስ ልብና ኣቋረጸ፡

ጓይላና ናብ ሓዘን ተለወጠ።

     16ኣኽሊል ካብ ርእስና ወደቐ፡

ሓጢኣት ጌርና ኢና እሞ፡ ወይለና።

     17-18ስለ እታ ወኻሩ ዝሓምበጣላ ዝባደመት ከረን ጽዮን፡

ስለዚ ልብና ተሓለለ፡

ስለዚ ኣዒንትና ጸልመታ።

     19ንስኻ ዎ እግዚኣብሄር፡ ንዘለኣለም ትነብር፡

ዝፋንካ ንውሉድ ወለዶ እዩ።

     20ስለምንታይ ንሓዋሩ እትርስዓና፧

ንነዊሕ ዘመንስ እትሓድገና፡

     21ጐይታየ፡ ናባኻ ምለሰና ንሕናውን ንምለስ።

ንመዓልትታትና ከምቲ ናይ ቀደም ሓድሶ።

     22ጠሪስካዶ ደርቢኻና ኢኻ፧

ኣዚኻዶ ዀሪኻልና ኣሎኻ፧

Leave a Reply

መጽሓፍ ቅዱስ ትግርኛ
ብሉይን ሓድሽን ኪዳን
ብሉይ ኪዳን
ሓድሽ ኪዳን
መጽሓፍ ቅዱስ ትግርኛ
ብሉይን ሓድሽን ኪዳን

ብሉይ ኪዳን

ሓድሽ ኪዳን