መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ፊሊጲ


1   2   3   4

        ፊሊጲ ምዕራፍ 1
   1ጳውሎስን ጢሞቴዎስን ባሮት የሱስ ክርስቶስ ናብቶም ኣብ ፊልጲ ብክርስቶስ የሱስ ዘለዉ ዅላቶም ቅዱሳን፡ ምስ ኤጲስቆጶሳትን ዲያቆናትን፡ 2ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ካብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ምሳኻትኩም ይኹን።
   3-4ብዝዘከርኩኹም ዘበለ ግዜ ኣብ ኵሉ ጸሎተይ ምእንቲ ዅላኩም ብሓጐስ ጸሎት እናገበርኩ፡ ኵሉ ሳዕ ንኣምላኸይ አመስግን ኣሎኹ። 5ስለቲ ሕብረትኩም ንምስፋሕ ወንጌል ካብታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ኽሳዕ ሕጂ፡ 6እቲ ኣባኻትኩም ሰናይ ግብሪ ዝጀመረ ኸኣ፡ ንሱ ኽሳዕ እታ መዓልቲ የሱስ ክርስቶስ ከም ዝፍጽሞ፡ እዚ ተረዲኤዮ ኣሎኹ። 7ብመቐውሐይ ኰነ ብናይ ወንጌል ምምጽራይን ምጽናዕን ኵላትኩም ብጸጋ መማቕልተይ ስለ ዝዀንኩም፡ ኣብ ልበይ ስለ ዘሎኹም፡ ምእንቲ ዅላትኩም እዚ ኽሓስብ ቅኑዕ እዩ። 8ብለውሃት ክርስቶስ የሱስ ንዅላትኩም ከመይ ገይረ ኸም ዝናፍቐኩም፡ ኣምላኽ ምስክረይ እዩ። 9-11ንኽብሪ ኣምላኽን ምስጋናኡን እቲ ብየሱስ ክርስቶስ ዝርከብ ፍረ ጽድቂ መሊእኩም፡ ክሳዕ እታ መዓልቲ ክርስቶስ መዓንቀፊ ዘይብሎምን ንጹሃትን ምእንቲ ኽትኰኑ፡ እቲ ዝሓይሽ ክትምርምሩ፡ እቲ ፍቕርኹምውን ብፍልጠት ብምስትውዓል ዘበለ ዅሉን ኣዝዩ እናበዝሐ ክኸይድ፡ እዚ እልምን ኣሎኹ።
   12ግናኸ፡ ኣሕዋተየ፡ እቲ ዝበጽሓኒ መከራ ንምስፋሕ ወንጌል ኣዝዩ ኸም ዝጠቐመ፡ ክትፈልጡ እደሊ ኣሎኹ። 13እቲ ማእሰርተይ ብክርስቶስ ምዃኑ ኣብ ብዘሎ ሰፈር ዘብዐኛታትን ኣብ ኵላቶም ካልኦትን ተገልጸ። 14ዝበዝሑ ኻብቶም ኣሕዋት ድማ በቲ ማእሰርተይ ኣብ ጐይታ ጸኒዖም፡ ብዘይ ፍርሃት ቃል ኣምላክ ንምንጋር ኣዝዮም ደፈሩ። 15ገሊኦም ብቕንእን ባእስን፡ ገሊኦም ግና ብጽቡቕ ፍቓድ ንክርስቶስ ይሰብክዎ ኣለዉ። 16እቶም ሓደ ወገን ንጥብቅነት ወንጌል ከም እተመደብኩ ፈሊጦም ብፍቕሪ ይሰብኩ፡ 17እቶም ሓደ ወገን ግና ኣብ ርእሲ ማእሰርተይ ጸበባ ከምጹኡለይ ሓሲቦም፡ ብቕንዕና ዘይኰነስ ፡ ብሻራ ንክርስቶስ ይሰብክዎ ኣለዉ። 18እንታይ ደኣ እዩ ፧ እንተ ብምኽንያት እንተ ብሓቂ፡ ብዝዀነ ዀይኑስ ክርስቶስ ይስበኽ ኣሎ እሞ፡ በዚ እሕጐስ ኣሎኹ ኽሕጐስውን እየ። 19እዚ ድማ ብጸሎትኩምን ብደገፍ መንፈስ የሱስ ክርስቶስን ንምድሓነይ ከም ዝኸውን፡ እፈልጥ ኣሎኹ። 20-21ንኣይ ህይወተይ ክርስቶስ እዩ፡ ሙማተይውን ረብሓይ እዩ እሞ፡ ከምቲ ሃረርታይን ተስፋይን ብገለ ኸይሓፍር፡ ከምቲ ዅሉ ሳዕ ሕጂውን ብትብዓት ደኣ፡ ብህይወት እንተ ዀይኑ ወይስ ብሞት፡ ክርስቶስ ብስጋይ ክኸብር እዩ። 22እቲ ብስጋ ምንባረይ፡ እዚ ፍረ ዕዮይ እንተ ዀይኑ፡ ኣየናይ ከም ዝሓሪ፡ ኣይፈልጥን እየ። 23በዘን ክልተ እዚኣተን እጭነቕ ኣሎኹ፡ ንኣይ ኣዝዩ ዝሓይሽ እዩ እሞ፡ ክፋኖ ምስ ክርስቶስውን ክነብር ሃረርታ ኣሎኒ። 24ግናኸ እቲ ብስጋ ምጽናሕ ምእንታኻትኩም ኣዝዩ ዘድሊ እዩ። 25-26ከም ብሓድሽ ናባኻትኩም ብምምላሰይ እቲ ትምክሕትኩም ብክርስቶስ የሱስ ኣባይ ምእንቲ ክዓዝዝ፡ እዚ ድማ ንናይ እምነትኩም ምዕባይን ሓጐስን ከም ዝጸንሕ ተረዲኤ፡ ምስ ኵላትኩም ከኣ ከም ዝነብር፡ እፈልጥ ኣሎኹ።
   27-28ካብቶም ተጻረርቲ ብሓደ ነገር እኳ ኸይሰምበድኩም፡ እዚ ንኣታቶም ንጥፍኣት፡ ንኣኻትኩም ግና ንምድሓን ምልክት እዩ፡ እዚ ኸኣ ካብ ኣምላኽ እዩ፡ መጺአ ክርእየኩም እንተ ዀይነ ወይስ ከየሎኹ፡ ስለ እምነት ወንጌል ብሓንቲ ነፍሲ ምሳይ እናተጋደልኩም፡ ብሓደ መንፈስ ቀጥ ኢልኩም ከም እትቘሙ ምእንቲ ኽሰምዕ፡ ሓንትስ ንብረትኩም ንወንጌል ክርስቶስ ዝበቅዕ ጥራይ ይኹን። 29-30እቲ ኣባይ ዝርኤኹምዎ ሕጂውን ኣባይ እትሰምዕዎ ዘሎኹም ገድሊ፡ ከምኡ ዝበለ እናበጽሓኩም፡ ሳላ ክርስቶስ ምእንታኡ መከራ ድማ ክትጸግቡ እምበር፡ ብእኡ ኽትኣምኑ ጥራይ ኣይኰነን ጸጋ ተዋሂብኩም ዘሎ።
        ፊልጲ  ምዕራፍ 2
    1እምብኣርሲ ገለ ምጽንናዕ ብክርስቶስ፡ ወይስ ገለ ደበሳ ናይ ፍቕሪ፡ ወይስ ገለ ሕብረት መንፈስ፡ ወይስ ገለ ምሕረትን ድንጋጽን እንተሎ፡ 2ብሓንቲ ሓሳብ ብምዃንኩም፡ ብሓንቲ ፍቕሪ ብምህላውኩም፡ ብሓንቲ ነፍሲ ዄንኩም ሓደ ብምሕሳብኩም ሓጐሰይ መልኡ። 3ሓንቲ እኳ ንርእሰይ ይጥዓመኒ ብምባል ወይስ ንውዳሴ ኸንቱ ኣይትግበሩ፡ ብትሕትና ግና እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ኻብ ርእሱ ኣብሊጹ ይርኣዮ። 4ነፍሲ ወከፍ ንብጻዩ ድማ እምበር፡ ነፍሲ ወከፍ ንርእሱ ዝሕሾ ኣይጠምት።
   5እቲ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ዝነበረ ሓሳብ ኣባኻትኩምውን ይሃሉኹም። 6ንሱ ብመልክዕ ኣምላኽ ክነሱ፡ ነቲ ማዕረ ኣምላኽ ምዃኑ ኸም ምምንዛዕ ኣይረኣዮን። 7መልክዕ ባርያ ወሲዱ ርእሱ ኣሕሰረ፡ ሰብውን መሰለ፡ ብንብረቱ ኸም ሰብ ኰይኑ ተረኸበ። 8ርእሱ ኽሳዕ ሞት ኣትሓተ፡ ክሳዕ ሞት ኣብ መስቀል እኳ ደኣ ተኣዘዘ። 9-11ስለዚ ኸኣ ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ኣብ ትሕቲ ምድርን ዘሎ ዅሉ ብርኪ ብስም የሱስ ምእንቲ ኽምብርከኽ፡ ልሳን ዘበለውን ንኽብሪ እግዚኣብሄር ኣቦ ኢሉ የሱስ ክርስቶስ ጐይታ ምኻኑ ኽእመን እዩ ኣምላኽ ናብ ልዕሊ ዅሉ ልዕል ዘበሎ፡ ካብ ኵሉ ስም ልዕል ዝበለ ስምውን ዝሃቦ። 12-13ደጊም፡ ኣቱም ፍቁራተይ፡ እቲ ምእንቲ ጽቡቕ ፍቓዱ ኢሉ፡ ኣባኻትኩም ድሌትን ግብርን ዝገብርሲ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ከየሎኹ ግዳ እቲ ዝበዝሕ እምበር፡ ከሎኹ ጥራይ ዘይኰነ፡ ከምቲ ዅሉ ሳዕ እተኣዘዝኩም፡ ብፍርሃትን ራዕድን ንምድሓንኩም ፈጽሙ። 14-16ንኸንቱ ኸም ዘይጐየኹ ወይስ ንኸንቱ ኸም ዘይጸዓርኩ፡ ነቲ ቓል ህይወት ሒዝኩም በታ መዓልቲ ክርስቶስ ንትምክሕተይ ምእንቲ ኽትኰኑ፡ ኣብ ማእከል እዚ ቔናንን ጠዋይን ወለዶ እዚ መንቅብ ዘይብሎምን ግሩሃትን ሕፍቲ ዘይብሎም ውሉድ ኣምላኽ ኴንኩም፡ ከም ብርሃናት ኣብ ዓለም እትበርሁ ምእንቲ ኽትኰኑ፡ ንዅሉ ብዘይምጕርምራምን ብዘይውልውልን ግበርዎ። 17ግናኸ ኣብቲ ናይ እምነትኩም መስዋእትን ኣገልግሎትን እንተ ተሰዋእኩ፡ ባህ ይብለኒ፡ ምስ ኵላትኩምውን እሕጐስ ኣሎኹ። 18ንስኻትኩም ድማ ከምኡ ባህ በሉ ምሳይውን ተሓጐሱ። 19-20ብናይ ህልዋትኩም ከምታ ነፍሰይ ሓሲቡ ብንጹህ ልቢ ዝሓሊ ሓደ እኳ የብለይን እሞ፡ ኣነ ብዛዕባኻትኩም ፈሊጠ ምእንቲ ባህ ክብለኒ፡ ቀልጢፈ ንጢሞቴዎስ ክልእከልኩም፡ ብጐይታና የሱስ ተስፋ እገብር ኣሎኹ። 21ኵላቶም ነናይ ርእሶም እዮም ዝደልዩ፡ ነቲ ናይ የሱስ ክርስቶስ ኣይኰነን። 22ግናኸ ውሉድ ነቦኡ ኸም ዘገልግል፡ ንሱውን ምሳይ ንወንጌል ብምግልጋሉ ፍቱን ምዃኑ ትፈልጡ ኢኹም። 23እምብኣርሲ ኣባይ ከመይ ከም ዝኸውን ምስ ርኤኹ፡ ቀልጢፈ ንእኡ ኸሰደልኩም ተስፋ እገብር ኣሎኹ። 24ኣነ ባዕለይውን ቀልጢፈ ኸም ዝመጽእ፡ ብጐይታ እእመን ኣሎኹ።
   25-26ንኤጳፍሮዲጦስ፡ ሓወይን መዓይይተይን መተዓቕይተይን ልኡኽኩም፡ ኣነ ብዝደልዮ ኣገልጋልን ግና፡ ንዅላትኩም ስለ ዝናፈቐን ምሕማሙ ብምስማዕኩም ስለ ዝጐሃየን፡ ናባኻትኩም ክሰዶ ብግዲ ዀነኒ። 27ሓሚሙስ ብሓቂ ንሞት ቀሪቡ ነይሩ፡ ግናኸ፡ ኣምላኽ ምሒርዎ ሓዘን ኣብ ልዕሊ ሓዘን ምእንቲ ኸይውሰኸኒ፡ ንኣይ ድማ እዩ እምበር፡ ንእኡ ጥራይ ኣይኰነን። 28ስለዚ፡ ምስ ርኤኹምዎ ኸም ብሓድሽ ምእንቲ ኽትሕጐሱ፡ ኣነውን፡ እቲ ሓዘነይ ምእንቲ ክቐልል፡ ቀልጢፈ ሰደድክዎ። 29-30ደጊም ንሱ እቲ ኻባኻትኩም ዝጐደለኒ ምእንቲ ኽምልእ፡ ነብሱ ቐቢጹ ምእንቲ ዕዮ ክርስቶስ ክሳዕ ሞት ቀሪቡ ነይሩ እዩ እሞ፡ ብዅሉ ሓጐስ ብጐይታ ተቐበልዎ፡ ነዞም ከምዚኣቶም ዘመሰሉ ኣኽብርዎም።
        ፊልጲ  ምዕራፍ 3
   1ብዝተረፈ፡ ኣሕዋተየ፡ ብጐይታ ባህ ይበልኩም። እዚ መሊሰ ንምጽሓፉ ንኣይ ጭንቂ ነገር ኣይኰነን፡ ንኣኻትኩም ግና ንጽንዓትኩም እዩ።
   2ካብ ኣኽላባት ተጠንቀቑ፡ ካብ እኩያት ዓየይቲ ተጠንቀቑ፡ ካብ ምቍርራጽ ተጠንቀቑ። 3ንሕና ንኣምላኽ ብመንፈስ እነገልግሎ፡ ብየሱስ ክርስቶስ ተመኪሕናውን ብስጋ ዘይንእመን ግዝረት ንሕና ኢና፡ 4ብስጋ እኳ ዝእመነሉ ዘሎኒ ኽነሰይ፡ ንሓደ ኻልእ ብስጋ ዝእመነሉ ዘለዎ እንተ መሰሎ፡ ኣነ ግዳ ዝበለጸ ኣሎኒ። 5ኣነ ብሳምነይቲ መዓልቲ እተገዘርኩ፡ ካብ ዓሌት እስራኤል፡ ካብ ነገድ ብንያም፡ እብራዊ ኻብ እብራውያን፡ ብሕጊ ፈሪሳዊ፡ 6ብቕንኣት ሰጓጊ ማሕበር፡ ብጽድቂ ሕጊውን መንቅብ ዘይብለይ እየ። 7እዚ ንኣይ ረብሓ ዝነበረ ግና ስለ ክርስቶስ ኢለ ኸም ወጽዓ ቆጸርክዎ። 8-9ኣየን እሞ፡ ብእምነት ክርስቶስ እቲ ብእምነት ካብ ኣምላኽ ዝርከብ ጽድቂ እምበር፡ እቲ ብሕጊ ዝመጽእ ጽድቀይ ሒዘ ኣይኰንኩን፡ ንክርስቶስ ምእንቲ ኽረብሕ ብእኡውን ክርከብ፡ ብሓቂ ስለ እቲ ብሉጽ ፍልጠት ክርስቶስ የሱስ ጐይታይ ኢለ፡ ስሊኡ እዚ ዅሉ እተወጻዕኩ፡ ኵሉ ኸም ወጽዓ እቘጽሮ፡ ከም ጐሓፍ እቘጽሮ ኣሎኹ። 10-11ብዝዀነ ዀይኑ ናብ ትንሳኤ ምዉታት እንተ ኣርከብኩ ኢለ፡ ብሞቱ እናመሰልክዎ፡ ንእኡን ሓይሊ ትንሳኤኡን ሕብረት መከራኡን ምእንቲ ኽፈልጥ፡ ኵሉ ኸም ወጽዓ እቆጽሮ ኣሎኹ። 12ኣነ ነቲ ንእኡ ክኸውን ብክርስቶስ የሱስ እተረኸብኩ ምእንቲ ኽረኽቦ፡ ንቕድሚት እደፍእ ኣሎኹ እምበር፡ ቅድሚ ሕጂ ኸም ዝረኸብክዎ ወይስ ቅድሚ ሕጂ ፍጹም ከም ዝዀንኩ ኣይኰነን። 13ኣሕዋተየ፡ ኣነ ብርእሰይ ከም ዝረኸብክዎ ኣይመስለንን ኣሎ። ሓደ ነገር ደኣ ኣሎኒ፡ ኣብ ድሕረይ ዘሎ እናረሳዕኩ፡ ነቲ ኣብ ቅድመይ ዘሎ እናተመጣጠርኩ፡ 14ናብቲ ሕንጹጽ ዕላማ ኣቢለ፡ ናብቲ ዓስቢ ዓወት ናይ ላዕሊ ጽውዓ ኣምላኽ ብክርስቶስ የሱስ እጐዪ ኣሎኹ።
   15እምብኣርሲ ፍጹማት ዘበልና ዅልና እዚ ንሕሰብ ብገለ ነገር ሓሳብኩም ንበይኑ እንተ ዀይኑ ድማ፡ ንእኡውን ኣምላኽ ክገልጸልኩም እዩ። 16እዚ ጥራይ፡ በቲ ዝበጻሕናዮ መጠን ብሓደ መገዲ ንመላለስ።
   17ኣሕዋተየ፡ ንኣይ ምሰሉ፡ ከምቲ ንሕና ኣርኣያ ዝዀንናኩም፡ ኣብቶም ከምኡ ኢሎም ዝመላለሱ ኣስተብህሉ። 18ከምቲ ብዛዕባኦም ብዙሕ ሳዕ ዝበልኩኹም፡ ሕጂውን እናበኸኹ እብል ኣሎኹ፡ ብዙሓትሲ ጸላእቲ መስቀል ክርስቶስ ኰይኖም ይመላለሱ እዮም። 19መወዳእታኦም ጥፍኣት እዩ፡ ኣምላኾም ከብዶም እዩ፡ ክብረቶምውን ኣብ ነውሮም እዩ፡ ሓሳቦም ከኣ ናይ ምድሪ እዩ። 20ንሕና ግና ሃገርና ኣብ ሰማያት እያ፡ ካብኣውን መድሓኒ፡ ንሱ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ንጽበ ኣሎና። 21ንሱ በቲ ንዅሉ ኽመልከሉ ዝከኣሎ ሓይሊ ነቲ ኽቡር ስጋኡ ምእንቲ ክመስል፡ ነዚ ናይ ውርደት ስጋና ክልውጦ እዩ።
        ፊልጲ  ምዕራፍ 4
   1እምብኣርሲ፡ ኣቱም ኣነ ዘፍቅረኩምን ዝናፍቐኩምን፡ ሓጐሰይን ኣኽሊለይን፡ ፍቁራት ኣሕዋተይ፡ ከምዚ ዄንኩም ብጐይታ ጽንዑ።
   2ሓሳበን ብጐይታ ሓንቲ ኽትከውን፡ ንኤዎድያ እምዕድ፡ ንስንጥኬውን እምዕድ ኣሎኹ። 3እወ፡ ኣታ እሙን ሲሲጎስ፡ ንኣኻውን ክትድግፈን እልምነካ ኣሎኹ። ንሳተን ምስ ቅሌምንጦስን ምስቶም ስሞም ኣብ መጽሓፍ ህይወት እተጻሕፈ ኻልኦት መዓይይተይን ምሳይ ብወንጌል ዝጸዓራ እየን።
   4ብጐይታ ዅሉ ሳዕ ተሓጐሱ፡ ደጊመ፡ ተሓጐሱ፡ እብል ኣሎኹ። 5እቲ ለውሃትኩም ኣብ ኵሉ ሰብ ይፈለጥ፡ እግዚኣብሄር ቀረባ እዩ። 6ድሌትኩም ዘበለስ ብጸሎትን ልማኖን ምስናይ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ እምበር፡ ብገለ እኳ ኣይትጨነቑ። 7እቲ ኻብ ኵሉ ኣእምሮ ዝበልጽ ሰላም ኣምላኽ ድማ ንልብኹምን ሓሳብኩምን ብክርስቶስ የሱስ ክሕልዎ እዩ።
    8ብዝተረፈስ፡ ኣሕዋተየ፡ ሓቂ ዘበለ፡ ርዝነት ዘለዎ ዘበለ፡ ቅኑዕ ዘበለ፡ ንጹህ ዘበለ፡ ተፈታዊ ዘበለ፡ ጽቡቕ ወረ ዘለዎ ዘበለ፡ ገለ ደግነት እንተ ዀይኑ፡ ገለ ንእዶውን እንተ ዀይኑ፡ ብእኡ ሕሰቡ። 9ነቲ ኻባይ እተመሃርኩምዎን እተቐበልኩምዎን ዝሰማዕኩምዎን ኣባይውን ዝርኤኹምዎን እዚ ግበርዎ እሞ ኣምላኽ ሰላም ምሳኻትኩም ክኸውን እዩ።
   10ደጊምሲ ኽትሓስቡለይ ሓድሽ ህይወት ሕጂ ስለ ዝረኸብኩም፡ ብጐይታ ብዙሕ እሕጐስ ኣሎኹ፡ ዘይሰለጠኩም ደኣ ዀይኑ እምበር፡ ቀደም ከኣ ሓሲብኩም ኔርኩም። 11ኣነስ በቲ ዘሎኒ ይኣኽለኒ ምባል ተማሂረ እየ እሞ፡ ስኢነ ስለ ዘሎኹ ኣይኰንኩን እዚ ዝብሎ ዘሎኹ። 12ትሕት ምባል እፈልጥ፡ ሕልፍን ትርፍን እፈልጥ እየ። ጽጋብን ጥሜትን ምስ ትርፉ ምህላውን ስእነትን፡ ኣብ ኵሉን ብዅሉን ልሙድ እየ። 13በቲ ሓይሊ ዝህበኒ ብክርስቶስ ንዅሉ ክኽእሎ እየ።
    14ኣብቲ ጸበባይ ብምሕባርኩም ግና ጽቡቕ ገበርኩም። 15ኣቱም ሰብ ፊልጲ፡ በቲ ናይ ወንጌል መጀመርታ ኻብ መቄዶንያ ምስ ወጻእኩ፡ ብጀካኻትኩም ጥራይ ካብ ማሕበር ብናይ ምሃብን ምውሳድን ሓደ እኳ ምሳይ ከም ዘይሓበረ፡ ንስኻትኩም ባዕላትኩም ትፈልጡ ኢኹም። 16ኣብ ተሰሎንቄውን ሓደ ግዜን ካልኣይ ግዜን ዘድልየኒ ሰዲድኩምለይ። 17ኣነስ እቲ ፍረ ንኣኻትኩም ክበዝሓልኩም ኢለ እየ እምበር፡ ውህበትኩም ደልየ ኣይኰንኩን። 18ሕጂ ግና ኵሉ ኣሎኒ፡ ምስ ትርፉውን ኣሎኒ። እቲ ካባኻትኩም ብኢድ ኤጳፍሮዲጦስ ዝመጸ ምዑዝ ሽታ፡ ስሙር ንኣምላኽ ዘሐጕስ መስዋእቲ፡ ምስ ተቐበልኩ ድማ፡ መሊኤ ኣሎኹ። 19ኣምላኸይ ከኣ፡ ከምቲ መጠን ሃብቱ ብኽብሪ ብክርስቶስ የሱስ ገይሩ፡ ድሌትኩም ዘበለ ኽመልኣልኩም እዩ። 20ግናኸ ንኣምላኽናን ኣቦናን ንዘለኣለመ ኣለም ክብሪ ይኹኖ። ኣሜን።
   21ነቶም ብክርስቶስ የሱስ ቅዱሳን ንነፍሲ ወከፎም ሰላም በልዎም። እቶም ምሳይ ዘለዉ ኣሕዋትውን ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ። 22ኵሎም እቶም ቅዱሳን፡ ምናዳ እቶም ካብ ቤት ቄሳር ዘበሉ፡ ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ።
   23ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምስ መንፈስኩም ይኹን። ኣሜን።

Leave a Reply

መጽሓፍ ቅዱስ ትግርኛ
ብሉይን ሓድሽን ኪዳን
ብሉይ ኪዳን
ሓድሽ ኪዳን
መጽሓፍ ቅዱስ ትግርኛ
ብሉይን ሓድሽን ኪዳን

ብሉይ ኪዳን

ሓድሽ ኪዳን