ቅዱስ ሉቃስ ዝጸሓፎ ወንጌል

1  2  3  4  5  6  7  8  
9  10  11  12  13  
14  15  16  17  
18  19  20  21  
22  23  
24  


   ወን.ሉቃስ ምዕራፍ 1
   1ነዚ ኣባና ብርግጽ እተኣምነ ነገር ዛንታኡ ኽጽሕፉ ብዙሓት ካብ ዝጅምሩ፡ 2እቶም ካብ መጀመርታ በዒንቶም ዝረኣዩን ኣገልገልቲ እቲ ቓል ዝነበሩን ከም ዝነገሩና፡ 3-4ኣታ ኽቡር ቴዎፍሎስ፡ ኣነ ኸኣ ንዅሉ ኣዳላዲለ ኻብ ጥንቲ ስዒበዮ እየ እሞ፡ ሓቂ እቲ እተምሃርካዮ ምህሮ ኣጸቢቕካ ምእንቲ ኽትፈልጥሲ፡ በብተራኡ ኽጽሕፈልካ ይረኣየኒ ኣሎ።
5ብዘመን ሄሮድስ ንጉስ ይሁዳ፡ ካብ ክፍሊ ኣብያ ዘካርያስ ዝብሃል ካህን ነበረ። ካብ ኣዋልድ ኣሮን ከኣ ኤልሳቤጥ እትብሃል ሰበይቲ ነበረቶ። 6ክልቲኦም ከኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጻድቃን ነበሩ። ብዅሉ ትእዛዛት እግዝኣብሄርን ሕጋጋቱን ብዘይ ጕድለት ዝኸዱ ነበሩ። 7ኤልሳቤጥ መኻን ነበረት እሞ፡ ውሉድ ኣይነበሮምን፡ ክልቲኦም ድማ ዕለቶም ዝሓለፈ ኣረገውቲ ነበሩ።
 8ኰነ ድማ፡ ብተራ ወገኑ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ግብሪ ኽህነት ክገብር ከሎ፡ 9ከም ልማድ ካህናት ናብ ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ኣትዩ ዕጣን ክዓጥን ብዕጭ በጽሖ። 10በቲ ግዜ ዕጣን ከኣ ዅሉ እቲ ብዙሕ ህዝቢ ብወጻኢ ዀይኑ ይጽሊ ነበረ። 11በቲ ወገን የማን መሰውኢ ዕጣን ድማ መልኣኽ እግዚኣብሄር ደው ኢሉ ተራእዮ። 12ዘካርያስ ከኣ ርእይዎ ሰምበደ ፍርሃትውን ወደቖ። 13እቲ መልኣኽ ድማ በሎ፥ ዘካርያስ፡ ጸሎትካ ተሰሚዑልካ እዩ እሞ፡ ኣይትፍራሕ። ሰበይትኻ ኤልሳቤጥ ወዲ ኽትወልደልካ እያ፡ ስሙውን ዮሃንስ ክትሰምዮ ኢኻ። 14ንሱ ሓጐስን ተድላን ክዀነልካ እዩ፡ ብልደቱ ኸኣ ብዙሓት ክሕጐሱ እዮም። 15ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዓብዪ ክኸውን እዩ እሞ። ወይንን ዘስክር መስተን ከቶ ኣይክሰትን እዩ። ገና ኣብ ከርሲ ኣዲኡ ኸሎ፡ መንፈስ ቅዱስ ክመልኦ እዩ። 16ንብዙሓት ካብ ደቂ እስራኤልውን ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኾም ክመልሶም እዩ። 17ንሱ ብቑዕ ህዝቢ ንእግዚኣብሄር ከዳሉ፡ ልቢ ኣቦታት ናብ ውሉድ፡ ንዘይእዙዛት ድማ ናብ ጥበብ ጻድቃን ክመልስ፡ ብመንፈስ ኤልያስን ብሓይሉን ቀቅድሚኡ ክኸይድ እዩ። 18ዘካርያስ ከኣ ነቲ መልኣኽ፥ ኣነ ኣሪገ እየ፡ ሰበይተይ ከኣ ዕለታ ሓሊፉ እዩ እሞ፡ ነዚ ብምንታይ ክፈልጦ እየ፡ በሎ። 19እቲ መልኣኽ ከኣ መሊሱ በሎ፡ ኣነ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዝቐውም ገብርኤል እየ፡ ክዛረበካን እዚ ድማ ከብስረካን እየ ናባኻ እተለኣኽኩ። 20እንሆ ኸኣ፡ ነቲ ብግዜኡ ዝፍጸም ዘረባይ ስለ ዘይኣመንካ፡ ክሳዕ እታ እዚ ነገርዚ ዝዀነላ መዓልቲ ዓባስ ክትከውን ምዝራብውን ክትስእን ኢኻ። 21እቶም እኩባት ሰብ ከኣ ንዘካርያስ ይጽበይዎ ነበሩ፡ እቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ምድንጓዩውን ኣስተንከሮም። 22ምስ ወጸ ድማ፡ ክዛረቦም ኣይከኣለን። ሽዑ ኣብ መቕደስ ራእይ ከም ዝረኣየ ፈለጡ። ንሱ ድማ ብኢዱ ኣመልከቶም፡ ዓባስ ኰይኑውን ይነብር ነበረ። 23ኰነ ድማ፡ ቅነ ምግልጋሉ ምስ ኣብጽሐ፡ ናብ ቤቱ ኸደ።
24-25ድሕሪ እተን መዓልትታት እቲአን ኤልሳቤጥ ሰበይቱ ጠነሰት እሞ፥ ጐይታይ ንኣይ ብዝረኣየለን መዓልትታት ሕስራነይ ካብ ማእከል ሰብ ምእንቲ ኸርሕቕ፡ ከምዚ ገበረለይ፡ ኢላ ሓሙሽተ ወርሒ ነፍሳ ሓብአት።
26-27ብሳድሰይቲ ወርሒ ገብርኤል መልኣኽ ናብ ናዝሬት እትብሃል ዓዲ ገሊላ ናብ ሓንቲ ድንግል ካብ ኣምላኽ ተላእከ። ንሳ ንዮሴፍ ዝብሃል ሰብኣይ ካብ ቤት ዳዊት እተሓጽየት እያ፡ ስም እታ ድንግል እቲኣ ኸኣ ማርያም እዩ። 28እቲ መልኣኽ ናብኣ ኣትዩ፥ ኣቲ ምልእቲ ጸጋ፡ እግዚኣብሄር ምሳኺ እዩ እሞ፡ ባህ ይበልኪ፡ ካብ ኣንስቲ ብርኽቲ ኢኺ፡ በላ። 29ንሳ ምስ ረኣየቶ፡ በቲ ዘረባኡ ሰምበደት፥ እዚ ኸምዚ ዝበለ ሰላምታስ እንታይ ኰን ይኸውን፧ ኢላውን ሓሰበት። 30እቲ መልኣኽ ከኣ በላ፡ ማርያም፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጸጋ ረኺብኪ ኢኺ እሞ፡ ኣይትፍርሂ። 31እንሆ፡ ክትጠንሲ ወዲውን ክትወልዲ፡ ስሙ ኸኣ የሱስ ክትሰምይዮ ኢኺ። 32ንሱ ዓብዪ ክኸውን፡ ወዲ ልዑልውን ክብሃል እዩ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ዝፋን ኣቦኡ ዳዊት ክህቦ እዩ። 33ንሱ ኣብ ቤት ያእቆብ ንዘለኣለም ክነግስ እዩ፡ መንግስቱ ኸኣ መወዳእታ የብላን። 34ማርያም ድማ ነቲ መልኣኽ፥ እዚኸ፡ ሰብኣይ ከይፈለጥኩስ፡ ከመይ ኢሉ ክኸውን እዩ፡ በለቶ። 35እቲ መልኣኽ ከኣ መሊሱ፡ መንፈስ ቅዱስ ክወርደኪ ሓይሊ ልዑልውን ከጽልለኪ እዩ። ስለዚኸኣ እቲ ዝውለድ ቅዱስ፡ ወዲ ኣምላኽ ክብሃል እዩ። 36-37እንሆ፡ ኤልሳቤጥ እታ ዘመድኪ እኳ፡— ንኣምላኽ ዝሰኣኖ ነገር ስለ ዘየልቦ፡— ኣብ እርግናኣ ወዲ ጠኒሳ ኣላ፡ ነታ መኻን እትብሃል እዚ ወርሒ እዚ ሳድሳያ እዩ፡ በላ። 38ማርያም ከኣ፥ እኔኹ፡ ኣነ ባርያ እግዚኣብሄር፡ ከምቲ ዘረባኻ ይኹነለይ፡ በለት። እቲ መልኣኽ ድማ ካብኣ ሓለፈ።
39በቲ ቕነ እቲ ማርያም ተንስአት፡ ተቐላጢፋ ድማ ንዝባን ይሁዳ ናብ ሓንቲ ዓዲ ደየበት። 40ናብ ቤት ዘካርያስ ኣትያ ኸኣ፡ ንኤልሳቤጥ ሰላም በለታ። 41ኰነ ድማ፡ ኤልሳቤጥ ቃል ሰላምታ ማርያም ምስ ሰምዐት፡ እቲ ሕጻን ኣብ ከርሳ ተሰራሰረ። ንኤልሳቤጥ ድማ መንፈስ ቅዱስ መልኣ፡ 42ብዓብዪ ድምጺውን ዓው ኢላ በለት፥ ንስኺ ኻብ ኣንስቲ ብርኽቲ ኢኺ፡ ፍረ ኸርስኺውን ብሩኽ እዩ። 43ኣደ ጐይታይ ናባይ ክትመጺኸ፡ እዚ ኻበይ ኰነለይ፧ 44እንሆ፡ ድምጺ ሰላምታኺ ምስ ሰማዕኩ ኣብ ከርሰይ ሕጻን ተሰራሰረ። 45እቲ ኻብ እግዚኣብሄር እተነግረላ ቓል ክፍጸም እዩ እሞ፡ እታ ዝኣመነት ብርኽቲ እያ።
46ማርያም ድማ በለት ነፍሰይ ንእግዚኣብሄር ተዕብዮ፡ 47-49መንፈሰይ ከኣ ብኣምላኽ፡ በቲ መድሓንየይ፡ ባህ ይብሎ። ውርደት ባርያኡ ስለ ዝረኣየ፡ እቲ ሓያል ዓብዪ ነገር ገይሩለይ እዩ እሞ፡ ስሙ ቅዱስ እዩ። እንሆ፡ ካብ ሕጂ ዅሎም ወለዶ ብጽእቲ ኽብሉኒ እዮም። 50ምሕረቱውን ነቶም ዝፈርህዎ ንውሉድ ወለዶ ይነብር። 51ሓይሊ ብቕልጽሙ ገበረ፡ ንዅሩዓት ብሓሳብ ልቦም ዘረዎም። 52ንሓያላት ካብ ዝፋውንቶም ኣውረዶም፡ ንተዋረዱ ኸኣ ልዕል ኣበሎም። 53ንጥሙያት ብጽቡቕ ነገር ኣጽገቦም፡ ንሃብታማትውን ጥራይ ኢዶም ሰደዶም። 54-55ከምቲ ነቦታትና፡ ንኣብርሃምን ንዘርኡን ዝነገሮም፡ ክሳዕ ዘለኣለም ምሕረት እናዘከረ፡ ንእስራኤል ባርያኡ ተቐበሎ።
56ማርያም ኣስታት ሰለስተ ወርሒ ዝኣክል ምስኣ ወርሐት፡ ደሓር ከኣ ናብ ቤታ ተመልሰት።
57ኤልሳቤጥ ክትወልድ ኣዋርሓ በጽሐ ወዲውን ወለደት። 58ጐረባብታን ኣዝማዳን ድማ፡ እግዚኣብሄር ምሕረቱ ኸም ዘዕበየላ ሰሚዖም፡ ምስኣ ተሓጐሱ። 59ኣብ ሳምነይቲ መዓልቲ ድማ ዀነ፡ ነቲ ሕጻን ክገርዝዎ መጹ፡ ብስም ኣቦኡ ኸኣ ዘካርያስ ሰመይዎ። 60ሽዑ ኣዲኡ፡ ኣይፋሉን፡ ዮሃንስ እዩ ዝስመ፡ ኢላ መለሰት። 61ንሳቶም ከኣ፡ ካብ ዓሌትኪ በዚ ስም እዚ እተሰምየ የልቦን፡ በልዋ 62ነቦኡ ድማ እንታይ ክስመ ኸም ዝደሊ፡ እናኣመልከቱ ሓተትዎ። 63ንሱ ንእሽቶ ሰሌዳ ለሚኑ፡ ስሙ ዮሃንስ እዩ፡ ኢሉ ጸሓፈ። ኵሎም ከኣ ተገረሙ። 64ብኡብኡ ኣፉ ተኸፈተ፡ ልሳኑውን ተፈትሐ፡ ንኣምላኽ እናኣመስገኖ ኸኣ ተዛረበ። 65ኣብ ኵሎም ጐረባብቶም ከኣ ፍርሃት ኰነ፡ ብዘሎ እዚ ነገርዚ ኣብ ኵላ ዝባን ይሁዳ ተወርየ፡ 66ዝሰምዕዎ ዘበሉ ኸኣ፥ እዚ ህጻን እዝስ እንታይ ኰን ክኸውን እዩ፧ ኢሎም ኣብ ልቦም ሓዝዎ። ኢድ እግዚኣብሄር ድማ ምስኡ ነበረት።
67ነቦኡ ዘካርያስ ድማ መንፈስ ቅዱስ መልኦ፡ ከምዚ ኢሉውን ተነበየ፥ 68ንህዝቡ ስለ ዝበጽሖምን እተበጀዎምን፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ይባረኽ። 69-70ከምቲ በቶም ካብ ጥንቲ ዝነበሩ ብኣፍ ቅዱሳት ነብያት እተዛረቦ፡ ኣብ ቤት ዳዊት ባርያኡ ቀርኒ ምድሓን ኣተንስኣልና፡ 71ካብ ጸላእትናን ካብ ኢድ ኵሎም ዝጸልኡናን ከድሕነና፡ 72ምስ ኣቦታትና ምሕረት ክገብር፡ ነቲ ቅዱስ ኪዳኑ ኽዝክሮ፡ 73እቲ ነቦና ኣብርሃም ዝመሓለሉ ማሕላ ክህበና፡ 74-75ብቕድስናን ብጽድቅን ብዅሉ ዕለትና ኣብ ቅድሚኡ ኻብ ኢድ ጸላእትና ድሒንና ብዘይ ፍርሃት ከነምልኾ ኢና። 76-77ኣታ ሕጻን፡ ንስኻ ድማ ንህዝቡ ብሕድገት ሓጢኣቶም ፍልጠት ምድሓን ክትህቦም፡ መገዲ ኸተቕንዕ፡ ቀቅድሚ ጐይታ ኽትከይድ ኢኻ እሞ፡ ነብዪ ልዑል ክትብሃል ኢኻ። 78-79ነእጋርና ናብ መገዲ ሰላም ከቕንዕ፡ ነቶም ኣብ ጸልማትን ኣብ ድነ ሞትን ተቐሚጦም ዘለዉ ከብርህ፡ ስለ ርሕሩሕ ምሕረት ኣምላኽና፡ ብእኡ ኻብ ላዕሊ በርቂ ጸሓይ ክበጽሓና እዩ።
80እቲ ሕጻን ዓበየ፡ ብመንፈስ ከኣ ደልደለ። ክሳዕ እታ ንእስራኤል እተገልጸላ መዓልቲውን ኣብ በረኻ ይነብር ነበረ።
   ወን.ሉቃስ ምዕራፍ 2
   1ኰነ ድማ፡ በቲ ቕነ እቲ ዅሉ ዓለም ክጸሓፍ፡ ካብ ቄሳር ኣውጉስጦስ ትእዛዝ ወጸ። 2እዚኣ እታ ቀሬኔዎስ ኣብ ሶርያ ተሸይሙ ኸሎ ዝዀነት ቀዳመይቲ ጽሕፈት እያ። 3ሽዑ ነፍሲ ወከፍ ክጸሓፍ፡ ኵሉ ነናብ ዓዱ ኸደ። 4-5ዮሴፍ ድማ፡ ካብ ቤት ዳዊትን ካብ ዓሌቱን ስለ ዝነበረ፡ ካብ ገሊላ ኻብ ዓዲ ናዝሬት ምስታ ጠኒሳ ዘላ ማርያም ሕጽይቱ ናብ ቤት-ልሄም እትብሃል ዓዲ ዳዊት ናብ ይሁዳ ክጸሓፍ ደየበ። 6ኰነ ድማ፡ ኣብኡኸለዉ፡ ግዜ ሕርሳ በጽሐ። 7በዅሪ ወዳ ወለደት ብዓለባውን ጠቕለለቶ፡ ኣብቲ ማሕደር ኣጋይሽ ስፍራ ስለ ዘይነበሮም ድማ፡ ኣብ መብልዕ ማል ኣደቀሰቶ።
   8ኣብታ ምድሪ እቲኣ ብለይቲ ማሎም ክሕልዉ ኣብ መሮር ዝሓደሩ ጓሶት ነበሩ። 9መልኣኽ እግዚኣብሄር ከኣ ኣብ ጥቓኦም ደው በለ፡ ክብሪ እግዚኣብሄር ኣብ ዙርያኦም ኣብርሀ፡ ብዙሕ ፍርሃት ከኣ ፈርሁ። 10-11እቲ መልኣኽ ድማ፡ እንሆ፡ ሎሚ መድሓኒ ኣብ ዓዲ ዳዊት ተወሊድልኩም ስለ ዘሎ፡— ንሱ ኸኣ ክርስቶስ ጐይታ እዩ፡— ንዅሉ ህዝቢ ዝኸውን ዓብዪ ሓጐስ አበስረኩም ኣሎኹ እሞ፡ ኣይትፍርሁ። 12ምልክት ድማ እዚ ይኹንኩም፡ ኣብ መብልዕ ማል ብዓለባ እተጠቕለለ ሕጻን ደቂሱ ኽተረኽቡ ኢኹም፡ በሎም። 13-14ብዙሓት ሰራዊት ሰማይ ድማ ብድንገት ምስቲ መልኣኽ ተጸምቢሮም፥ ክብሪ ንኣምላኽ ኣብ ላዕሊ፡ ሰላም ከኣ ኣብ ምድሪ ኣብ መንጎ እቶም ስምረት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት፡ እናበሉ ንኣምላኽ ኣመስገኑ።
   15ኰነ ድማ፡ እቶም መላእኽቲ ኻባታቶም ናብ ሰማይ ምስ ደየቡ፡ እቶም ጓሶት ንሓድሕዶም፥ እዚ እግዚኣብሄር ዝገለጸልና ኽውን ነገር ክንርኢ ንዑናይ፡ ናብ ቤት-ልሄም ንኺድ፡ ተባሃሃሉ። 16ቀልጢፎም ከኣ ኸዱ፡ ንማርያምን ንዮሴፍን ነቲ ሕጻን ከኣ ኣብ መብልዕ ማል ደቂሱን ረኸቡ። 17እዚ ምስ ረኣዩ፡ ብዛዕባ እቲ ሕጻን እተነግረሎም ነገር ኣውረዩ። 18ዝሰምዑ ዘበሉ ዅሎም ከኣ በቲ እቶም ጓሶት ዝነገርዎም ተገረሙ። 19ማርያም ግና ነዚ ነገርዚ ዅሉ ኣብ ልባ ተዋህልሎን ትሓስቦን ነበረት። 20እቶም ጓሶት ድማ ከምቲ እተባህለሎም፡ በቲ ዝሰምዕዎን ዝረኣይዎን ኵሉ ንኣምላኽ እናኽበሩን እናወደሱን ተመልሱ።
   21ክገዝርዎ ሾሞንተ መዓልቲ ምስ መልአ ድማ፡ ከምቲ መልኣኽ ኣብ ከርሲ ኸይተሃንጸ ኸሎ ዝሰመዮ፡ ስሙ የሱስ ኢሎም ሰመይዎ።
    22-24ከምቲ ሕጊ መሴ፡ መዓልትታት ምንጻሆም ምስ መልኣ፡— ከምቲ ኣብ ሕጊ እግዚኣብሄር፥ ማሕጸን ወላዲቱ ዝኸፈተ ዘበለ ተባዕታይ ንእግዚኣብሄር እተቐደሰ ይብሃል፡ ኢሉ እተጻሕፈ፡— ከምቲ ኣብ ሕጊ እግዚኣብሄር እተባህለ ኸኣ፡ ክልተ ባሬቶ ወይስ ክልተ ጫጩት ርግቢ መስዋእቲ ምእንቲ ክህቡ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከቝምዎ ናብ የሩሳሌም ወሰድዎ። 25እንሆ ድማ፡ ኣብ የሩሳሌም ስምኦን ዝብሃል ሰብኣይ ነበረ። እዚ ሰብኣይ እዚ ጻድቕ፡ ንኣምላኽ ዝፈርህ፡ ምጽንናዕ እስራኤል ዝጽበ ነበረ፡ መንፈስ ቅዱስ ድማ ነበሮ። 26ነቲ ቕቡእ እግዚኣብሄር ከይረኣዮ፡ ሞት ከም ዘይርኢ ድማ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ተገሊጽሉ ነበረ። 27ብመንፈስ ከኣ ናብ ቤተ መቕደስ መጸ። ነቲ የሱስ ሕጻን፡ ወለዱ ኸም ልማድ ሕጊ ክገብሩሉ ምስ ኣእተውዎ፡ 28ንሱ ድማ ኣብ ኢዱ ሓቘፎ፡ ንኣምላኽውን ኣመስገነ እሞ፥ 29-32ዎ ጐይታይ፡ ነቲ ንምብራህ ኣህዛብ ብርሃን፡ ንህዝብኻ እስራኤልውን ክብረት ምእንቲ ክኸውን፡ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝቢ ዘዳሎኻዮ ምድሓንካ ኣዒንተይ ካብ ረኣያስ፡ ሕጂ ኸምቲ ዘረባኻ ንባርያኻ ብሰላም ተፋንዎ ኢኻ፡ በለ። 33ዮሴፍን ኣዲኡን ከኣ በቲ ብዛዕባኡ እተባህለ ነገር ተገረሙ። 34ስምኦን ከኣ ባረኾም፡ ነዲኡ ማርያም ድማ፥ እንሆ፡ እዚ ንብዙሓት ኣብ እስራኤል ንምዳቖምን ምትንሳኦምን ንትእምርቲ ምጽራርውን ንቡር እዩ። 35ንኣኺ ድማ፡ ሓሳብ ልቢ ብዙሓት ምእንቲ ክገሃድ፡ ናብ ነፍስኺ ሰይፊ ኽኣቱ እዩ፡ በላ።
   36ካብ ወገን ኣሴር ድማ ሃና፡ ጓል ፋኑኤል፡ ንሳ ኣዝያ ዝኣረገት ነብዪት ነበረት። — ካብ ድንግልናኣ ሒዛ ምስ ሰብኣያ ሾብዓተ ዓመት ገበረት። 37ንሳ ሰማንያን ኣርባዕተን ዓመት ዝዕድሚኣ መበለት እያ።— ካብ ቤተ መቕደስ ከይወጸት፡ ብጾምን ብጸሎትን ለይትን መዓልትን ንኣምላኽ ተገልግል ነበረት። 38ንሳውን ሽዑ ናብኡ መጺኣ ንኣምላኽ ኣመስገነቶ። ነቶም ምድሓን የሩሳሌም ዝጽበዩ ዅሎም ከኣ ብዛዕባኡ ተዛረበቶም። 39ከምቲ ሕጊ እግዚኣብሄር ኵሉ ምስ ፈጸሙ ኸኣ፡ ንገሊላ ናብ ናዝሬት ዓዶም ተመልሱ።
   40እቲ ሕጻን ዓበየ፡ ብመንፈስ ድማ ደልደለ፡ ጥበብ ከኣ መልኦ፡ ጸጋ ኣምላኽውን ኣብኡ ነበረ። 41እቶም ወለዱ ንበዓል ፋስጋ በብዓመት ናብ የሩሳሌም ይኸዱ ነበሩ። 42ንሱ ወዲ ዓሰርተው ክልተ ዓመት ምስ ኰነ ኸኣ፡ ከምቲ ስርዓት በዓል ናብ የሩሳሌም ደየቡ። 43እተን መዓልትታት ኣእኪሎም ክምለሱ ኸለዉ ኸኣ፡ የሱስ፡ እቲ ቘልዓ፡ ኣብ የሩሳሌም ተረፈ። ዮሴፍን ኣዲኡን ግና እዚ ኣይፈለጡን። 44ምስ ሰብ መገዲ ዘሎ መሲልዎም፡ መገዲ ሓንቲ መዓልቲ ኸዱ፡ ኣብ ኣዝማዶምን ኣብ ዝፈልጥዎምን ከኣ ደለይዎ። 45ምስ ሰኣንዎ ኸኣ፡ ክደልይዎ ናብ የሩሳሌም ተመልሱ። 46ኰነ ድማ፡ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ኣብ ማእከል መምህራን ተቐሚጡ እናሰምዖምን እናሓተቶምን ረኸብዎ። 47ዝሰምዕዎ ዘበሉ ኸኣ በቲ ምስትውዓሉን ምላሹን ተገረሙ። 48ምስ ረኣይዎ ድማ ሰምበዱ። ኣዲኡ ኸኣ፡ በል ወደይ፡ ስለምንታይከ ኸምዚ ገበርካና፧ እንሆ፡ ኣቦኻን ኣነን እናጕሄና ንደልየካ ኔርና፡ በለቶ። 49ንሱ ኸኣ፥ ንምንታይሞ እትደልዩኒ፧ ኣብቲ ናይ ኣቦይ ዘበለ ክኸውን ከም ዝግብኣኒዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ በሎም። 50ንሳቶም ግና ነዚ ዝበሎም ዘረባ ኣየስተውዓልዎን። 51ምሳታቶም ወሪዱ ናብ ናዝሬት መጸ፡ ይእዘዞምውን ነበረ። ኣዲኡ ድማ ነዚ ዅሉ ነገር ኣብ ልባ ተዋህልሎ ነበረት።
   52የሱስ ከኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን ብጥበብን ብቝመትን ብጸጋን ዓበየ።
   ወን.ሉቃስ ምዕራፍ 3
   1ኣብ መበል ዓሰርተው ሓሙሽተ ዓመቱ ንግዝኣት ቄሳር ጢቤርዮስ፡ ጶንጥዮስ ጲላጦስ ኣብ ይሁዳ ተሸይሙ ኸሎ፡ ሄሮዶስ ብዓል ርባዕ ሽመት ድማ ኣብ ገሊላ፡ ፊልጶስ ሓዉ ብዓል ርባዕ ሽመትውን ኣብ ኢጣልያን ኣብ ሃገር ጥራኮኒቲስን፡ ሊሳንያስ ብዓል ርባዕ ሽመት ከኣ ኣብ ኣቢለኔ ተሸይሞም ከለዉ፡ 2ሊቃውንቲ ኻህናትውን ሃናን ቀያፋን ከለዉ፡ ቃል ኣምላኽ ናብ ዮሃንስ ወዲ ዘካርያስ ኣብ በረኻ መጸ። 3ንሱ ድማ ጥምቀት ንስሓ ንሕድገት ሓጢኣት እናሰበኸ፡ ኣብ ኵሉ ወሰን ዮርዳኖስ ዞረ። 4ከምቲ ኣብ ቃል መጽሓፍ ነብዪ ኢሳይያስ እተጻሕፈ፡ ከምዚ ዝብል፥ ቃል ኣዋጅ ነጋሪ ኣብ በረኻ ዝእውጅ፥ ጐደና እግዚኣብሄር ጽረጉ መገዱ ድማ ኣቕንዑ። 5ሽንጭሮ ዘበለ ልዕል ይበል፡ ከረንን ኵርባን ዘበለ ድማ ትሕት ይበል፡ ቄናን ከኣ ይቕናዕ፡ ድንጉርውን ሰጥ ዝበለ መገዲ ይኹን። 6ስጋ ዝለበሰ ዅሉ ምድሓን ኣምላኽ ክርኢ እዩ።
7ነቶም ንሱ ከጥምቖም ዝመጹ ሰባት ድማ ይብሎም ነበረ፥ ኣቱም ውላድ ተመን፡ ካብቲ ዝመጽእ ቍጥዓ ኽትመልቁኸ፡ መን ሓበረኩም፧ 8እምበኣርስኸ ንንስሓ ዝበቅዕ ፍረ ግበሩ። ካብዘን ኣእማን እዚአን ንኣብርሃም ውሉድ ከተንሳኣሉ ንኣምላኽ ከም ዝከኣሎ፡ እብለኩም ኣሎኹ እሞ፡ ብርእስኹም፥ ኣብርሃም ኣቦ ኣሎና ምባል ኣይትጀምሩ። 9ካብ ሕጂ ኸኣ ማሕጸ ኣብቲ ሱር ኣእዋም ተነቢሩ ኣሎ። ስለዚ ጽቡቕ ፍረ ዘይፈሪ ዘበለ ዅሉ ኦም ይቑረጽ ናብ ሓዊ ኸኣ ይድርበ እዩ። 10እቶም ህዝቢ ድማ፥ እንታይ እሞ ንግበር፡ ኢሎም ሓተትዎ። 11ንሱ ኸኣ፥ ክልተ ቐምሽ ዘለዎ ነቲ ዘይብሉ ይምቀሎ፡ ቀለብ ዘለዎ ድማ ከምኡ ይግበር፡ ኢሉ መለሰሎም። 12ተገውቲ ድማ ክጥመቑ መጺኦም፥ መምህር፡ እንታይ ንግበር፧ በልዎ። 13ንሱ ኸኣ፥ ካብቲ እተኣዘዘልኩም ሓለፋ ኣይትውሰዱ፡ በሎም። 14ዓቀይቲውን፥ ንሕናኸ እንታይ ንግበር፧ ኢሎም ሓተትዎ። ንሱ ኸኣ፥ ንሓደ እኳ ኣይትግፍዑ፡ ብሓሶትውን ኣይትኽሰሱ፡ ደደመወዝኩም ከኣ ይእከልኩም፡ በሎም።
  15እቶም ህዝቢ ኽጽበዩ ኸለዉ፡ ኵሎም ከኣ ብዛዕባ ዮሃንስ፥ ክርስቶስ ኰን ይኸውን፧ ኢሎም በብልቦም ክሓስቡ ኸለዉ ድማ፡ 16ዮሃንስ መለሰ ንዅሎም በሎም፡ ኣነስ ብማይ እየ ዘጥምቐኩም ዘሎኹ፡ እቲ ኻባይ ዝብርትዕ፡ ኣነ ስራኽ ኣሳእኑ ንምፍታሕ ዘይበቅዕ ግና ይመጽእ ኣሎ። ንሱ ብመንፈስ ቅዱስን ብሓውን ከጥምቐኩም እዩ። 17መስአኡ ኣብ ኢዱ ሒዙ ዓውዱ የጽሪ፡ ነቲ ስርናይ ኣብ ቆፎኡ ይእክቦ፡ ነቲ ሓሰር ግና ብዘይጠፍእ ሓዊ ኸንድዶ እዩ።
   18ብብዙሕ ካልእ ምዕዶ እናመዓዶምውን፡ ነቶም ህዝቢ ኣበሰሮም። 19ንሄሮድስ ብዓል ርባዕ ሽመት ድማ ብዛዕባ ሄሮድያዳ ሰበይቲ ፊልጶስ ሓዉን ብዛዕባ እቲ ሄሮድስ ዝገበሮ ዘበለ ዅሉ ኽፉእ ነገርን ምስ ገንሖ፡ 20ሄሮድስ ኣብ ልዕል እዚ ዅሉ ወሲኹ፡ ንዮሃንስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዓጸዎ።
   21ኰነ ድማ፡ እቲ ህዝቢ ዅሉ ምስ ተጠምቀ፡ የሱስውን ተጠሚቑ ኽጽሊ ኸሎ፡ ሰማይ ተኸፍተ። 22መንፈስ ቅዱስ ከኣ በርኣያ ስጋ ኸም ርግቢ ኣብ ልዕሊኡ ወረደ፡ ንስኻ ብኣኻ ዝሰመርኩ ፍትዊ ወደይ ኢኻ፡ ዝብል ድምጺውን ካብ ሰማይ መጸ።
   23የሱስ ባዕሉ ክምህር ምስ ጀመረ፡ ኣስታት ወዲ ሰላሳ ዓመት ኣቢሉ ነበረ። ወዲ ዮሴፍ ከም ዝዀነ ኸኣ ይመስሎም ነበረ፡ ወዲ ኤሊ፡ 24ወዲ ማታት፡ ወዲ ሌዊ፡ ወዲ መልኪ፡ ወዲ ያና፡ ወዲ ዮሴፍ፡ 25ወዲ ማጣትዩስ፡ ወዲ ኣሞጽ ወዲ ናሆም፡ ወዲ ኣስሊ፡ ወዲ ናጌ፡ 26ወዲ መኣት፡ ወዲ ማታትዩስ፡ ወዲ ሴሜይ፡ ወዲ ዮሴፍ፡ ወዲ ይሁዳ፡ 27ወዲ ዮና፡ ወዲ ሬሳ፡ ወዲ ዘሩባቤል፡ ወዲ ሰላትኤል፡ ወዲ ኔሪ፡ 28ወዲ ሜልኪ፡ ወዲ ኣዲ፡ ወዲ ቆሳም፡ ወዲ ኤልማዳም፡ ወዲ ኤር፡ 29ወዲ ዮሴ፡ ወዲ ኣልኣዛር፡ ወዲ ዮራም፡ ወዲ ማጣት፡ ወዲ ሌዊ፡ 30ወዲ ስምኦን ወዲ ይሁዳ፡ ወዲ ዮሴፍ፡ ወዲ ዮናን፡ ወዲ ኤልያቂም፡ 31ወዲ ሜልያ፡ ወዲ ማይናን፡ ወዲ ማጣት፡ ወዲ ናታን፡ ወዲ ዳዊት፡ 32ወዲ እሴይ፡ ወዲ እዮቤድ፡ ወዲ ቦኤዝ፡ ወዲ ሰልሞን፡ ወዲ ነኣሶን፡ 33ወዲ ኣሚናዳብ፡ ወዲ ኣራም፡ ወዲ ኤስሮም፡ ወዲ ፋሬስ፡ ወዲ ይሁዳ፡ 34ወዲ ያእቆብ፡ ወዲ ይስሃቅ፡ ወዲ ኣብርሃም፡ ወዲ ታራ፡ ወዲ ናሆር፡ 35ወዲ ሳሮክ፡ ወዲ ራጉ፡ ወዲ ፋሌቅ፡ ወዲ ኣቤር፡ ወዲ ሳላ፡ 36ወዲ ቃይናን፡ ወዲ ኣርፋክሳድ፡ ወዲ ሴም፡ ወዲ ኖህ፡ ወዲ ላሜክ፡ 37ወዲ ማቱሳላ፡ ወዲ ሄኖክ፡ ወዲ ያሬድ፡ ወዲ መላልኤል፡ ወዲ ቃይናን፡ 38ወዲ ሄኖስ፡ ወዲ ሴት፡ ወዲ ኣዳም፡ ወዲ ኣምላኽ።
   ወን.ሉቃስ ምዕራፍ 4
   1የሱስ መንፈስ ቅዱስ መሊእዎ ኻብ ዮርዳኖስ ተመልሰ፡ ብመንፈስ ከኣ ናብ በረኻ ተመርሐ። 2ብድያብሎስ ድማ ኣርብዓ መዓልቲ ተፈተነ። በተን መዓልትታት እቲኣተን ገለ እኳ ኣይበልዐን። ንሳተን ምስ ተወድኣ፡ ጠመየ። 3ድያብሎስ ድማ፡ ወዲ ኣምላኽ እንተ ዄንካስ፡ እዚ እምኒ እንጌራ ክኸውን ኣዝዝ፡ በሎ። 4የሱስ ከኣ፡ ሰብ ብዅሉ ቓል ኣምላኽ እምበር፡ ብእንጌራ ጥራይ ኣይነብርን፡ ጽሑፍ እዩ፡ ኢሉ መለሰሉ። 5ድማ ድያብሎስ ናብ ነዊሕ ከረን ኣደየቦ፡ ብቕጽበት ዓይኒ ኸኣ መንግስትታት ኵላ ዓለም ኣርኣዮ። 6ሽዑ ድያብሎስ፥ እዚ ስልጣን እዝን ብዘሎ ኽብረተንን ንኣይ ተውሂቡኒ እዩ እሞ፡ ኣነ ንዝደለኹ እህቦ፡ ንኣኻውን ክህበካ እየ፡ 7ስለዚ ንስኻ ኣብ ቅድመይ እንተ ሰገድካ፡ ኵሉ ናትካ ክኸውን እዩ፡ በሎ። 8የሱስ ከኣ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ስገድ፡ ንእኡ በይኑ ኸኣ ኣምልኽ፡ ጽሑፍ እዩ እሞ፡ ካባይ ርሓቕ፡ ሰይጣን፡ ኢሉ መለሰሉ። 9-11ናብ የሩሳሌም ወሰዶ፡ ኣብ ገምገም ቤተ መቕደስ ደው ኣቢሉ ኸኣ፥ ንመላእኽቱ ክሕልዉኻ ይእዝዘልካ፡ እግርኻ ብእምኒ ኸይትዕንቀፍ ከኣ በእዳዎም የልዕሉኻ፡ ጽሑፍ እዩ እሞ፡ ወዲ ኣምላኽ እንተ ዄንካስ፡ ካብዚ ንታሕቲ ተደርበ፡ በሎ። 12የሱስ ድማ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣይትፈታትኖ፡ ብሁል እዩ፡ ኢሉ መለሰሉ። 13ሽዑ ድያብሎስ ፈተናኡ ዘበለ ወድአ፡ ንግዜኡ ሓደጎ።
14የሱስ ድማ ብሓይሊ መንፈስ ናብ ገሊላ ተመልሰ። ወሪኡ ኸኣ ኣብቲ ኣብ ጐደቦኡ ዘሎ ዅሉ ዓድታት ተሰምዐ። 15ንሱ ኸኣ ኣብ ቤት ጸሎቶም መሃረ፡ ኵሎምውን ይንእድዎ ነበሩ።
16ናብታ ዝዓበየላ፡ ናብ ናዝሬት ድማ መጸ፡ ብመዓልቲ ሰንበት ከኣ ከምቲ ልማዱ ናብ ቤት ጸሎት ኣተወ፡ ከንብብውን ተንስአ። 17መጽሓፍ ነብዪ ኢሳይያስ ከኣ ሃብዎ። ነቲ መጽሓፍ እንተ ቐልዖ ኸኣ፡ እዚ እተጻሕፎ ኽፍሊ ረኸበ፥ 18ንድኻታት ከበስሮም ስለ ዝቐብኣኒ፡ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕለይ እዩ። ንምሩኻት ከምልስ፡ ንዕዉራት ምርኣይ፡ ንግፉዓት ከኣ ምውጻእ ሓራ ክሰብኽ፡ 19ሕርይቲ ዓመት እግዚኣብሄር ክሰብኽ ለኣኸኒ። 20ነቲ መጽሓፍ ዓጺፉ ኸኣ፡ ነቲ ኣገልጋሊ ሂብዎ ተቐመጠ። ኣብታ ቤት ጸሎት ዝነበሩ ዅሎም ድማ ኣዒንቶም ናብኡ ይጥምታ ነበራ። 21ሽዑ፥ እዚ ጽሑፍ እዚ ሎሚ ኣብ ኣእዛንኩም ተፈጸመ፡ ክብሎም ጀመረ። 22ኵሎም ከኣ መስከሩሉ፡ በቲ ኻብ ኣፉ ዝወጽእ ዘረባ ጸጋ ድማ ይግረሙ ነበሩ፥ እዝስ ወዲ ዮሴፍ ደይኰነን፧ ከኣ ይብሉ ነበሩ። 23ንሱ ድማ፥ ብርግጽ እዚ ምስላ እዚ፥ ፈዋሳይ ንርእስኻ ፈውስ፡ እቲ ኣብ ቅፍርናሆም ዝገበርካዮ ኸም ዝሰማዕና፡ ኣብዚ ኣብ ዓድኻውን ከምኡ ግበር፡ ትብሉኒ ኣሎኹም፡ በሎም። 24በለ ኸኣ፥ ነብዪ ኣብ ዓዱ ከቶ ኸም ዘይከብር፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 25ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፥ ብዘመን ኤልያስ እቲ ሰማይ ሰለስተ ዓመትን ሽዱሽተ ወርሕን እተዓጽወሉ፡ ኣብ ኵላ እታ ምድሪ ኸኣ ዓብዪ ጥሜት ዝዀነሉ ወርሓት፡ ኣብ እስራኤል ብዙሓት መበለታት ነይረን፡ 26ኤልያስ ከኣ ናብ ሓንቲ መበለት ሰበይቲ ኣብ ሰራጵታ ናይ ሲዶና እምበር፡ ናብ ሓንቲ ኻባታተንሲ ኣይተላእከን። 27ብዘመን ነብዪ ኤልሳእውን ኣብ እስራኤል ብዙሓት ለምጻማት ነይሮም፡ ንእማን ሶርያዊ ጥራይ ደኣ እምበር፡ ካባታቶምሲ ሓደ እኳ ኣይነጽሀን። 28ኣብታ ቤት ጸሎት ዝነበሩ ዀሎም እዚ ምስ ሰምዑ፡ ኣዝዮም ኰረዩ። 29ተንሲኦም ካብ ዓዲ ናብ ወጻኢ ኣውጽእዎ፡ ከጽድፍዎ ኸኣ ናብ ገምገም እታ ዓዶም ተሰሪሓትሉ ዘላ ኸረን ወሰድዎ። 30ንሱ ግና ብማእከሎም ሓሊፉ ኸደ።
31ድሕርዚ ናብ ቅፍርናሆም ከተማ ገሊላ ወረደ፡ ብሰንበትውን ይምህሮም ነበረ። 32ዘረባኡ ብስልጣን ስለ ዝነበረ ድማ፡ ብምህሮኡ ተገረሙ። 33ኣብታ ቤት ጸሎት ከኣ ርኹስ መንፈስ ዝሓደሮ ሰብኣይ ነበረ፡ ብዓብዪ ድምጺ ኸኣ፥ 34ኣየ፡ የሱስ ናዝራዊ፡ ምሳኻ እንታይ ኣሎና፧ ከተጥፍኣናዶ መጺእካ፧ ኣታ ናይ ኣምላኽ ቅዱስ፡ መን ምዃንካ ፈሊጠካ ኣሎኹ፡ እናበለ ጨደረ። 35የሱስ ከኣ፥ ስቕ በል ካብኡውን ውጻእ፡ ኢሉ ገንሖ። እቲ ጋኔን ድማ ኣብ ማእከሎም ደርበዮ፡ ገለ እኳ ኸይጐድኦ ኸኣ ካብኡ ወጸ። 36ኵሎም ሰምበዱ፡ ንሓድሕዶም ከኣ፥ እዚ ነገርዚስ እንታይ እዩ፧ ንርኹሳት መናፍስቲ ብሓይልን ስልጣንን ይእዝዞም እሞ፡ ይወጹ፡ እናበሉ ተዛራረቡ። 37ወሪኡ ድማ ናብተን ኣብ ከባቢኡ ዘለዋ ዅለን ጐደቦታት ወጸ።
38ካብ ቤት ጸሎት ተንሲኡ፡ ናብ ቤት ስምኦን ኣተወ። ሓማት ስምኦን ከኣ ብብርቱዕ ዓሶ ሓሚማ ነበረት፡ ብዛዕባኣውን ለመንዎ። 39ኣብ ልዕሊኣ ድንን ኢሉ ነቲ ዓሳኦ ገንሖ፡ እቲ ዓሶውን ሓደጋ። ብኡብኡ ተንሲኣ ኣገልገለቶም።
40ጸሓይ ክትዓርብ ከላ ኸኣ፡ በበይኑ ዝዀነ ሕማም ዘለዎም ኵሎም ሕሙማት ናብኡ ኣምጽኡ። ንሱ ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፎም ኢዱ ኣንቢሩ ኣሕወዮም። 41ኣጋንንቲውን፥ ንስኻ ወዲ ኣምላኽ ኢኻ፡ እናበሉ እናጨደሩን ካብ ብዙሓት ይወጹ ነበሩ። ይገንሖም ከኣ ነበረ፡ ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ ስለ ዝፈለጡ ድማ፡ ክዛረቡ ኣይፈቐደሎምን።
42ምስ ወግሐ ድማ፡ ወጺኡ ናብ ጽምዊ ቦታ ኸደ። እቶም ህዝቢ ኸኣ ይደልይዎ ነበሩ፡ ናብኡ መጺኦምውን ካባታቶም ከይኸይድ ሓዝዎ። 43ንሱ ግና፥ ስለዚ እየ እተለኣኽኩ እሞ፡ ንኻልኦት ዓድታት ድማ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክሰብከለን ይግብኣኒ እዩ፡ በሎም።
44ኣብ ኣባይቲ ጸሎት ገሊላ ኸኣ ይሰብኽ ነበረ።
   ወን.ሉቃስ ምዕራፍ 5
   1ኰነ ድማ፡ ብዙሓት ህዝቢ እናተዳፍእዎ፡ ቃል ኣምላኽ ክሰምዑ ኸለዉ፡ ንሱ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ጌንሳሬጥ ደው ኢሉ ነበረ። 2ኣብ ገምገም ባሕሪ ኸኣ ጃልባ ደው ኢለን ረኣየ። እቶም ገፈፍቲ ዓሳ ድማ ካባታተን ወሪዶም መርበቦም ይሓጽቡ ነበሩ። 3ካብተን ጀላቡ ኣብ ሓንቲ፡ ናይ ስምኦን ዝነበረት ኣትዩ ኻብ ምድሪ ቕሩብ ኣርሕቕ ከብላ ለመኖ። ኣብታ ጃልባ ተቐሚጡ ድማ ነቶም ህዝቢ ይምህሮም ነበረ። 4ዘረባኡ ምስ ወድአ ኸኣ፡ ንስምኦን፡ ናብቲ ዓሚቕ ቅርብ በል እሞ መርበብኩም ንምግፋፍ ደርብዩ፡ በሎ። 5ስምኦን ከኣ፡ መምህር፡ ለይቲ ብምልእታ ጽዒርና፡ ዝሓዝና የብልናን፡ ብቓልካ ግና ነዚ መርበብ እድርብዮ፡ ኢሉ መለሰሉ። 6እዚ ምስ ገበረ፡ ኣዝዩ ብዙሕ ዓሳ ሓዙ፡ እቲ መርበቦምውን ተቐደ። 7ነቶም ኣብታ ኻልኣይቲ ጃልባ ዘለዉ ብጾቶም ከኣ መጺኦም ክድግፍዎም ኣመልከትዎም። መጺኦም ድማ ንኽልቲአን ጃልባ ጥቓ ምጥሓል ክሳዕ ዝቀርባ መልእወን። 8-10ስምኦን ጴጥሮስ እዚ ምስ ረኣየ፡ ንሱ ብዛዕባ እቲ ዝገፈፍዎ ምግፋፍ ዓሳ ኣዝዮ ስለ ዝሰምበደ፡ እቶም ምስኡ ዘለዉ ዅሎምን፡ ያእቆብን ዮሃንስን ደቂ ዘብዴዎስ ሰብ ብርኪ ዝነበሩን ድማ ኸምኡ፡ ስምኦን፥ ጐይታይ፡ ኣነ ሓጥእ ሰብ እየ እሞ፡ ካባይ ርሓቕ፡ እናበለ ኣብ ብርኪ የሱስ ተደፍአ። የሱስ ከኣ ንስምኦን፥ ካብ ሕጂ ገፋፍ ሰብ ክትከውን ኢኻ እሞ፡ ኣይትፍራህ፡ በሎ። 11ጃላቡኦም ናብ ምድሪ ኣውጺኦም፡ ንዅሉ ሓዲጎም ሰዓብዎ።
   12ኰነ ድማ፡ ኣብ ሓንቲ ዓዲ ኸሎ፡ እንሆ፡ ለምጺ ዝመልኦ ሰብኣይ ኣብኣ ነበረ። ንየሱስ ምስ ረኣዮ፡ ብገጹ ተደፊኡ፥ ጐይታይ፡ እንተ ትፈቱስ፡ ከተንጽሃኒ ትክእል ኢኻ፡ ኢሉ ለመኖ። 13የሱስ ድማ፥ ፈትየ ኣሎኹ፡ ንጻህ፡ ኢሉ ኢዱ ዘርጊሑ ተንከዮ። ብኡብኡ እቲ ለምጺ ሓደጎ። 14ንሱ ኸኣ፡ ኪድ ርእስኻ ንኻህን ኣርኢ፡ ስለ ዝነጻህካ ድማ ምስክር ምእንቲ ክዀኖም፡ ከምቲ ሙሴ ዝኣዘዞ፡ መስዋእቲ ሰውእ እምበር፡ ንሓደ እኳ ኣይትንገር። ኢሉ ኣዘዞ። 15ብዛዕባኡ ድማ፡ ኣዝዩ ወረ ወጸ። ብዙሓት ህዝቢ ኸኣ ክሰምዕዎን ካብ ሕማሞም ክሓውዩን ናብኡ ተኣከቡ። 16ንሱ ግና ናብ በረኻ እናግለሰ ይጽሊ ነበረ።
   17ኰነ ድማ፡ ሓንቲ መዓልቲ ንሱ ኽምህር ከሎ፡ ካብ ኵሉ ዓድታት ገሊላን ይሁዳን የሩሳሌምን ዝመጹ ፈሪሳውያንን መምህራን ሕግን ተቀሚጦም ነበሩ። ሓይሊ እግዚኣብሄር ንምሕዋይ ምስኡ ነበረ። 18እንሆ ድማ ሰባት መጻጕዕ ሰብኣይ ብዓራት ጾይሮም ኣምጽኡ፡ ኣእትዮም ከኣ ኣብ ቅድሚኡ ኸንብርዎ ይደልዩ ነበሩ። 19ሰብ ስለ ዝበዝሐ፡ ከመይ ገይሮም ከም ዘእትዉዎ እንተ ጨነቆም ከኣ፡ ናብ ናሕሲ ደየቡ እሞ ጡብ ኣፍሪሶም ምስ ዓራቱ ናብ ማእከል ናብ ቅድሚ የሱስ ኣውረድዎ። 20እምነቶም ምስ ረኣየ ድማ፡ ኣታ ሰብኣይ፡ ሓጢኣትካ ተሓዲጉልካ ኣሎ፡ በሎ’ 21ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ድማ፥ እዚ ጸርፊ ዝዛረብ ዘሎ መን እዩ፡ ብጀካ እግዚኣብሄር በይኑኸ መን ሓጢኣት ክሓድግ ይኽእል፧ ኢሎም ክሓስቡ ጀመሩ። 22የሱስ ድማ ሓሳቦም ፈሊጡ መሊሱ በሎም፥ ብልብኹም እንታይ ትሓስቡ ኣሎኹም፡ 23ኣየናይ ይቐልል፥ ሓጢኣትካ ተሓዲጉልካ ምባልዶ ወይስ ተንስእ እሞ ኺድ ምባል፡ 24ንወዲ ሰብ ኣብ ምድሪ ሓጢኣት ክሓድግ ስልጣን ከም ዘለዎ ምእንቲ ኽትፈልጡ ግና፡ ነቲ መጻጕዕ፥ ተንስእ እሞ ዓራትካ ኣልዒልካ ናብ ቤትካ ኺድ፡ እብለካ ኣሎኹ፡ በሎ። 25ብኡብኡ ንሱ ኣብ ቅድሚኦም ብድድ ኢሉ፡ ነታ ደቂሱላ ዝነበረ ዓራት ኣልዒሉ ንኣምላኽ እናኣመስገኖ ናብ ቤቱ ኸደ። 26ኵሎም ሰምበዱ ንኣምላኽውን ኣመስገንዎ እሞ፥ ሎምስ ግሩም ነገር ርኢና፡ ኢሎም ፍርሃት መልኦም።
   27ድሕርዚ ድማ ወጸ፡ ሌዊ ዝብሃል ተጋዊ ኣብ በሪ ተጎ ተቐሚጡ ረኣየ እሞ፥ ስዓበኒ፡ በሎ። 28ተንሲኡ ኸኣ ንዅሉ ሓዲጉ ሰዓቦ። 29ሌዊ ድማ ኣብ ቤቱ ዓብዪ ምሳሕ ገበረሉ። ብዙሓት ተገውቲ ኻልኦትውን ምሳታቶም ኣብ መኣዲ ተቐሚጦም ነበሩ። 30ፈሪሳውያንን ጸሓፍቶምን ድማ ንደቀ መዛሙርቱ፥ ስለምንታይከ ምስ ተገውትን ሓጥኣንን ትበልዑን ትሰትዩን ኣሎኹም፧ ኢሎም ኣዕዘምዘሙሎም። 31የሱስ ከኣ፡ ንሓኪምሲ ሕሙማት እምበር፡ ጥዑያት ኣይደልይዎን እዮም። 32ንሓጥኣን ናብ ንስሓ እምበር፡ ንጻድቃን ክጽውዕ ኣይመጻእኩን፡ ኢሉ መለሰሎም።
   33ንሳቶም ድማ፡ ደቀ መዛሙርቲ ዮሃንስ ብዙሕ ሳዕ ይጾሙ ጸሎትውን ይገብሩ፡ ደቀ መዛሙርቲ ፈሪሳውያንውን ከምኡ፡ ደቀ መዛሙርትኻ ግና ይበልዑን ይሰትዩን፥ በልዎ። 34የሱስ ከኣ፥ ንስኻትኩምዶ ነዕሩኽ መርዓዊ፡ እቲ መርዓዊ ምሳታቶም ከሎ፡ ከተጹምዎም ይከኣለኩም እዩ፧ 35ግናኸ እቲ መርዓዊ ኻባታቶም ዝውሰደለን መዓትታት ክመጻ እየን እሞ በተን መዓልትታት እቲአን ሽዑ ክጾሙ እዮም፡ በሎም። 36ምስላ ድማ መሰለሎም፥ ቍራጽ ሓድሽ ዓለባ ኣብ ብላይ ክዳን ዝልግብ የልቦን። እንተ ዘይኰነስ፡ እቲ ሓድሽ መልገባ ነቲ ብላይ ይቐዶ፡ እቲ ሓድሽ ቍራጽ ምስቲ ብላይ ኣይላገብን እዩ። 37ንሓድሽ ወይኒውን ኣብ ኣረገውቲ ኣሕርብቲ ዘዕርቆ የልቦን። እንተ ዘይኰነስ፡ እቲ ሓድሽ ወይኒ ነቲ ኣሕርብቲ ይቐዶ፡ ንሱውን ይፈስስ ኣሕርብቲ ድማ ይባላሾ። 38ንሓድሽ ወይንስ ኣብ ሓደስቲ ኣሕርብቲ ደኣ የዕርቕዎ፡ ክልቲኣቶም ከኣ ይእርነቡ። 39ከራሚ ወይኒ ሰትዩ፡ ከራሚ ይሓይሽ፡ ይብል እምበር፡ ሓድሽ ወይኒ ዝደሊ የልቦን።
   ወን.ሉቃስ ምዕራፍ 6
   1ኰነ ድማ፡ ብመዓልቲ ሰንበት ብዝሩእ ግርሁ ሓለፈ። ደቀ መዛሙርቱ ሰዊት መሓዉ፡ በእዳዎም እናሓሰዩ ኸኣ ይጐስሙ ነበሩ። 2ሓያሎ ኻብ ፈሪሳውያን ከኣ፥ ስለምንታይ ብሰንበት ምግባሩ ዘይተፈቕደ ትገብሩ ኣሎኹም፧ በልዎም። 3የሱስ ከኣ፥ ዳዊት፡ ንሱን እቶም ምስኡ ዝነበሩን ምስ ጠመዩ፡ ዝገበሮ፡ 4ናብ ቤት ኣምላኽ ከም ዝኣተወ እሞ፡ ብጀካ ንኻህናት ጥራይ እምበር፡ ምብላዑ ዘይተገብአ እንጌራ ምርኣይ ወሲዱ ኸም ዝበልዐ ነቶም ምስኡ ዝነበሩውን ከም ዝሃቦምሲ፡ እኳዶ ኣየንበብኩምን፧ ኢሉ መለሰሎም። 5ወዲ ሰብ ጐይታ ሰንበት እዩ፡ ከኣ በሎም።
6ኰነ ድማ፡ ብሓንቲ ኻልእ ሰንበት ናብ ቤት ጸሎት ኣትዩ መሃረ። ኣብኡ ድማ የማነይቲ ኢዱ ዝነቐጸት ሰብኣይ ነበረ። 7ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ከኣ፡ መኽሰሲ ምእንቲ ኽረኽቡሉ፥ እስኪ ብሰንበት እንተ ኣሕወዮ፡ ኢሎም ይጸናጸንዎ ነበሩ። 8ንሱ ኸኣ ሓሳቦም ፈሊጡ፡ ነቲ ኢዱ ዝነቐጸት ሰብኣይ፥ ተንስእ እሞ ኣብ ማእከል ደው በል፡ በሎ። ንሱውን ተንሲኡ ደው በለ። 9የሱስ ከኣ፡ ብሰንበትሲ ጽቡቕ ምግባርዶ ወይስ ክፉእ ምግባር፡ ንነፍስስ ምድሓንዶ ወይስ ምቕታላ ይግባእ፧ ኢለ እሓተኩም ኣሎኹ፡ በሎም። 10ናብ ኵሎም ግልጽ ግልጽ ኢሉ ርእዩ ኸኣ፡ ነቲ ሰብኣይ፥ ኢድካ ዘርግሕ፡ በሎ። ንሱ ድማ ከምኡ ገበረ፡ እታ ኢዱውን ሓወየት። 11ንሳቶም ግና ኣዝዮም ነደሩ፡ ንየሱስ እንታይ ከም ዝገብርዎ ድማ፡ ንሓድሕዶም ተማኸሩ።
12ኰነ ድማ፡ በቲ ወርሓት እቲ ክጽሊ ናብ ከረን ደየበ፡ ለይቲ ብምልእታ ብጸሎት ናብ ኣምላኽ ነቒሑ ሓደረ። 13ምድሪ ምስ ወግሐ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ናብኡ ጸውዖም፡ ካባታቶም ሃዋርያት ኢሉ ዝሰመዮም ዓሰርተው ክልተ ሓረየ፡ 14ስምኦን፡ ጴጥሮስ ኢሉ ዝሰመዮ፡ እንድርያስ ድማ ሓዉን ያእቆብን ዮሃንስን ፊልጶስን በርተሎሜዎስን፡ 15ማቴዎስን ቶማስን ያእቆብ ወዲ እልፍዮስን እቲ ቀናእ እተበህለ ስምኦንን፡ 16ይሁዳ ወዲ ያእቆብን እቲ ዘትሓዞ ይሁዳ ኣስቆሮታውን። 17ምሳታቶም ወሪዱ ድማ፡ ሰጥ ኣብ ዝበለ ቦታ ደው በለ፡ ብዙሓት ካብ ደቀ መዛሙርቱን ኣዝዮ ብዙሕ ህዝቢ ኸኣ ካብ ብዘሎ ይሁዳን የሩሳሌምን ገምገም ባሕሪ ጢሮስን ሲዶናን ክሰምዕዎ ኻብ ሕማሞምውን ክሓውዩ ዝመጹ ኣብኡ ነበሩ። 18እቶም ብርኹሳት መናፍስቲ ዝሳቐዩ ዝነበሩውን ሓወዩ። 19እቶም ህዝቢ ኸኣ ኵላቶም ክትንክይዎ ይደልዩ ነበሩ። ካብኡ ሓይሊ ይወጽእ ነበረ እሞ፡ ንብዘለዉ ኣሕወዮም።
20ንሱ ድማ ናብ ደቀ መዛሙርቱ እናጠመተ በለ፡ ኣቱም ድኻታት፡ መንግስቲ ኣምላኽ ንኣኻትኩም እያ እሞ፡ ብጹኣን ኢኹም። 21ኣቱም ሕጂ እትጠምዩ፡ ክትጸግቡ ኢኹም እሞ፡ ብጹኣን ኢኹም። ኣቱም ሕጂ እትበኽዩ፡ ክትስሕቁ ኢኹም እሞ፡ ብጹኣን ኢኹም። 22ሰብ ስለ ወዲ ሰብ ኢሎም እንተ ጸልኡኹም፡ እንተ ፈለዩኹም፡ እንተ ጸረፉኩም፡ ስምኩምውን ከም ክፉእ እንተ ኣውጹእልኩም፡ ብጹኣን ኢኹም። 23እንሆ፡ ኣቦታቶም ድማ ንነብያት ከምኡ ይገብርዎም ነይሮም እዮም እሞ፡ ኣብ ሰማይ ዓስብኹም ብዙሕ ክኸውን እዩ፡ ሽዑ በታ መዓልቲ እቲኣ ባህ ይበልኩም ተሓጐሱውን። 24ኣቱም ሃብታማት ግን፡ ሓጐስኩም ወዲእኩም ኢኹም እሞ፡ ወይለኹም’ 25ኣቱም ጽጉባት፡ ክትጠምዩ ኢኹም እሞ፡ ወይለኹም። ኣቱም ሕጂ እትስሕቁ፡ ክትበኽዩ ክትሓዝኑን ኢኹም እሞ፡ ወይለኹም። 26ኵሉ ሰብ ጽቡቕ እንተ ተዛረበልኩም፡ ኣቦታቶም ንነብያት ሓሶት ከምኡ ይገብርዎም ነይሮም እዮም እሞ፡ ወይለኹም
27ንኣኻትኩም ንትሰምዑ ግና እብለኩም ኣሎኹ፥ ጸላእትኩም ኣፍቅሩ፡ ንዝጸልእኹም ጽቡቕ ግበሩ። 28ንዝረግሙኹም መርቑ፡ ምእንቲ እቶም ዝጸርፉኹም ጸልዩ። 29መልትሕካ ንዝወቕዓካ እታ ኻልኣይቲውን ምለሰሉ፡ ክዳንካ ንዝወሰደ ቐምሽካውን ኣይትኽልኣዮ። 30ንዝለመንካ ዘበለ ሃብ፡ ገንዘብካ ኻብ ዝወሰደውን መሊስካ ኣይትድለ። 31ከምቲ ሰብ ክገብሩልኩም እትደልይዎ፡ ንስኻትኩም ድማ ከምኡ ግበሩሎም። 32ሓጥኣን ድማ ንዝፈትውዎምሲ ይፈትዉ እዮም እሞ፡ ንዝፈትዉኹም ጥራይ እንተ ፈቶኹም፡ እንታይ ምስጋና ኣሎኩም፧ 33ጽቡቕ ንዝገብሩልኩም ጥራይ ጽቡቕ እንተ ገበርኩምከ፡ እንታይ ምስጋና ኣሎኩም፧ ሓጥኣን ከኣ ከምኡ ይገብሩ እዮም። 34ክፈድዩኹም ንትጽበይዎም እንተ ኣለቃሕኩምከ፡ እንታይ ምስጋና ኣሎኩም፧ ሓጥኣን ድማ ንሓጥኣን ክንድኡ ክፍደዩ የለቅሑ እዮም። 35ግናኸ ንጸላእትኹም ኣፍቅሩ ጽቡቕ ከኣ ግበሩ፡ ክትፍደዩ ኸይተጸበኹም ኣለቅሑ። እግዚኣብሄር ንዘየመስግኑን ንሕሱማትን ርሕሩሕ እዩ እሞ፡ ዓስብኹም ብዙሕ ክኸውን እዩ፡ ውሉድ እቲ ልዑልውን ክትኰኑ ኢኹም። 36ከምቲ ኣቦኹም ርሕሩሕ ዝዀነ፡ ርሕሩሓት ኩኑ። 37ኣይትፍረዱ ኣይክትፍረዱን ኢኹም፡ ኣይትዀንኑ ኣይክትኵነኑን ድማ ኢኹም፡ ሕደጉ ክሕደገልኩም እዩ። 38ሃቡ ኽውሃበኩም እዩ። በቲ እትሰፍሩሉ መስፈሪ ኽስፈረልኩም እዩ እሞ፡ ጽቡቕ እተሰጐደ፡ ንኽኑኽ እተፋረወ መስፈሪ ኣብ ሕቝፍኹም ክህቡኹም እዮም።
39ብምስላ ኸኣ በሎም፥ ዕዉርዶ ንዕዉር ክመርሖ ይኽእል እዩ፧ ክልቲኣቶምዶኸ ኣብ ጕድጓድ ኣይወድቁን፧ 40ተመሃሪ ኻብ መምህሩ ኣይበልጽን፡ ተምሂሩ ዝወድአ ዅሉ ግና ከም መምህሩ እዩ ዝኸውን። 41ስለምንታይ ኣብ ዓይኒ ሓውካ ዘሎ በሰር እትርኢ፡ ኣብ ዓይንኻ ዘሎ ጕንዲ ግና ዘይተስተብህል፧ 42ወይስ ንስኻ ኣብ ዓይንኻ ዘሎ ጕንዲ ዘይትርኢ፡ ንሓውካ፡ ሓወይ፡ ካብ ዓንይኻ በሰር ከውጽኣልካስ ሕደገኒ፡ ክትብሎ ኸመይ ጌርካ ትኽእል፧ ኣታ ግቡዝ፡ ቅድም ነቲ ጕንዲ ኻብ ዓይንኻ ኣውጽኣዮ፡ ድሕርቲ ኣብ ዓይኒ ሓውካ ዘሎ በሰር ንምውጻእ ኣጸቢቕካ ኽትርኢ። 43ጽቡቕ ኦም ክፉእ ፍረ ዝፈሪ፡ ወይስ ክፉእ ኦም ጽቡቕ ፍረ ዝፈሪ የልቦን። 44ኵሉ ኦም ካብ ፍሪኡ ይፍለጥ እዩእሞ፡ ካብ እሾዅ በለስ ኣይእረን፡ ካብ ጨዓውን ወይኒ ኣይቅንጠብን እዩ። 45ኣፍ ካብ ምልኣት ልቢ እዩ ዝዛረብ እሞ፡ እቲ ሕያዋይ ሰብ ካብቲ ጽቡቕ መዝገብ ልቡ ጽቡቕ የውጽእ። እቲ ኽፉእ ድማ ካብቲ ኽፉእ መዝገብ ልቡ ኽፉእ እዩ ዘውጽእ።
46ስለምንታይ ደኣ፥ ጐይታይ፡ ጐይታይ፡ እትብሉኒ እሞ ኣነ ዝብሎ ኣይትገብሩን፧ 47እቲ ናባይ ዝመጽእን ንቓለይ ሰሚዑ ዝገብሮን ዘበለ ዅሉ፡ ንመን ከም ዝመስል ከርእየኩም እየ፥ 48ቤት ክሰርሕ ከሎ፡ ኣዕሚቑ ዝዀዓተን መሰረቱውን ኣብ ከውሒ ዝሰረተን ሰብኣይ እዩ ዝመስል። ደምሳሲ ውሒዝ ምስ መጸ፡ እቲ ውሒዝ ነታ ቤት ደፍኣ፡ ኣብ ከውሒ ስለ እተሰረተት ከኣ፡ ምንቕናቓ ሰኣነ። 49እቲ ሰሚዑ ዘይገብሮ ግና ቤቱ ብዘይ መሰረት ኣብ ምድሪ ዝሰርሐ ሰብኣይ እዩ ዝመስል። ውሒዝ ደፍኣ፡ ብኡብኡ ወደቐት። ኣዋዳድቓ እታ ቤት እቲኣ ኸኣ ዓብዪ ዀነ።
   ወን.ሉቃስ ምዕራፍ 7
   1ብዘሎ ዘረባኡ ኣብ እዝኒ ህዝቢ ምስ ወድአ፡ ናብ ቅፍርናሆም ኣተወ።
2ሓደ ሓለቓ ሚእቲ ዘኽብሮ ባርያኡ ሓሚሙ ንሞት ቀሪቡ ነበረ። 3ወረ የሱስ ምስ ሰምዐ፡ መጺኡ ንባርያኡ ኸሕውየሉ፡ ዓበይቲ ኣይሁድ ናብኡ ልኢኹ ለመኖ። 4-5ንሳቶም ድማ ናብ የሱስ መጺኦም፥ ንሱ ንህዝብና ይፈቱ፡ ቤት ጸሎት ዝሰርሓልና ኸኣ ንሱ እዩ፡ እዚ ኽትገብረሉ ይግባእ እዩ፡ ኢሎም ኣጽኒዖም ለመንዎ። 6የሱስ ከኣ ምሳታቶም ከደ። ናብ ቤቱ ምስ ቀረበ ኸኣ፡ እቲ ሓለቃ ሚእቲ ኣዕሩኽ ለኣኸ፡ ከምዚ ኢሉ፥ ጐይታይ፡ ናብ ትሕቲ ናሕሰይ ክትኣቱ ኣነ ኣይብቑዕን እየ እሞ፡ ኣይትድከም። 7ስለዚ ድማ ንርእሰይ ናባኻ ንምምጻእ ብቕዕቲ ገይረ ኣይቈጸርክዋን። ግናኸ ሓንቲ ቓል ተዛረብ፡ ወደይ ከኣ ይሓዊ እዩ። 8ኣነ ድማ ኣብ ትሕቲ ብዓል ስልጣን ዝግዛእ፡ ኣብ ትሕተይውን ዓቀይቲ ዘለውኒ ሰብ እየ እሞ፡ ነዚ ኺድ እብሎ፡ ይኸይድ፡ ነቲ ድማ ንዓ፡ ይመጽእ፡ ንባርያይውን እዚ ግበር፡ ይገብር ከኣ። 9የሱስ እዚ ምስ ሰምዐ፡ ተገረመ፡ ግልጽ ኢሉ ኸኣ ነቶም ዝሰዓብዎ ህዝቢ፥ ከምዚ ዝበለት ዓባይ እምነትሲ ኣብ እስራኤል እኳ ኣይረኸብኩን፡ እብለኩም ኣሎኹ፡ በሎም’ 10እቶም ልኡኻት ናብ ቤት ምስ ተመልሱ ድማ፡ እቲ ሓሚሙ ዝነበረ ባርያ ሓውዩ ረኸብዎ።
11ንጽቢሒቱ ድማ ዀነ፡ ናይን ናብ እትብሃል ከተማ ኸደ፡ ምስኡ ኸኣ ሓያሎ ኻብ ደቀ መዛሙርቱን ብዙሕ ህዝብን ከዱ። 12ናብ ኣፍ ደገ እታ ኸተማ ምስ ቀረቡ፡ እንሆ፡ ምዉት ተጾይሩ ወጸ፡ ንሱ ነዲኡ ሓደ ወዳ ነበረ፡ ንሳ ኸኣ መበለት እያ። ብዙሓት ደቂ እታ ኸተማ ኸኣ ምስኣ ነበሩ። 13ጐይታ ምስ ረኣያ፡ ደንገጸላ እሞ፥ ኣይትብከዪ፡ በላ። 14ቀሪቡ ነቲ ቓሬዛ ተንከዮ፡ እቶም ጸወርቲውን ደው በሉ። ንሱ ኸኣ፡ ኣታ ጐበዝ፡ ተንስእ፡ እብለካ ኣሎኹ፡ በሎ። 15እቲ ምዉት ተንስኡ ተቐመጠ፡ ምዝራብውን ጀመረ፡ ነዲኡ ድማ ሃባ። 16ንዅሎም ፍርሃት ሓዞም፥ ዓብዪ ነብዪ ተንሲኡልና፡ ኣምላኽ ንህዝቡ በጽሐ፡ እናበሉ ኸኣ ንኣምላኽ ኣመስገንዎ። 17እዚ ወረዚ ድማ ብዛዕባኡ ኣብ ኵላ ይሁዳን ኣብ ጐደቦታታን ተሰምዐ።
18ንዮሃንስ ድማ ደቀ መዛሙርቱ ዅሉ እዚ ነገርዚ ነገርዎ። 19ዮሃንስ ከኣ ክልተ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ ጸዊዑ፥ እቲ ዝመጽእሲ ንስኻ ዲኻ ወይስ ካልእ ክንጽበ ኢና፡ ኢሉ ናብ የሱስ ለኣኾም። 20እቶም ሰባት ኣብ የሱስ ምስ በጽሑ ኸኣ፥ ዮሃንስ መጥመቕ፥ እቲ ዝመጽእሲ ንስኻ ዲኻ ወይስ ካልእ ክንጽበ ኢና፧ ኢሉ ናባኻ ልኢኹና፡ በልዎ። 21ሽዑ በታ ሰዓት እቲኣ ኻብ ሕማምን ቃንዛን ካብ ርኹሳት መናፍስትን ንብዙሓት ኣሕወየ፡ ንብዙሓት ዕዉራትውን ምርኣይ ሃቦም። 22የሱስ ከኣ፥ ዕዉራት ይርእዩ፡ ሓንካሳት ይኸዱ፡ ለምጻማት ይነጽሁ፡ ጸማማት ይሰምዑ፡ ምዉታት ይትንስኡ ኣለዉ፡ ንድኻታትውን ወንጌል ይስበኽ ኣሎ እሞ፡ ኪዱ፡ እዚ ዝርኤኹምዎን ዝሰማዕኩምዎን ንዮሃንስ ንገርዎ። 23ብኣይ ዘይዕንቀፍ ብጹእ እዩ፡ ኢሉ መለሰሎም።
24እቶም ልኡኻት ዮሃንስ ምስ ከዱ፡ ንሱ ነቶም እኩባት ሰብ ብዛዕባ ዮሃንስ ክብሎም ጀመረ፥ እንታይ ክትርእዩ ናብ በረኻ ወጻእኩም፧ ብንፋስ ሰሰው ዝብል ሻምብቆዶ፧ 25እንታይ ክትርእዩ ደኣ ወጻእኩም፧ ልስሉስ ክዳውንቲ እተኸድነ ሰብኣይዶ፧ እንሆ ንኽዳውንቲ ኽብረት ዘጌጹን ዝሓንቀቑንሲ ኣብ ቤት ነገስታት ኣለዉ። 26እንታይ ክትርእዩ ደኣ ወጻእኩም፧ ነብዪዶ፧ እወ፡ ካብ ነብዪ እኳ ዝዓቢ እብለኩም ኣሎኹ። 27እቲ፥ እንሆ፡ መገድኻ ዝጸርግ መልኣኸይ ቀቅድሜኻ እልእኽ ኣሎኹ፡ ተብሂሉ እተጻሕፈሉ ንሱ እዩ። 28ካብ ኣንስቲ ኻብ እተወልዱ ኻብ ዮሃንስ መጥመቕ ዝዓቢ ነብዪ ሓደ እኳ የልቦን፡ እብለኩም ኣሎኹ። ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ግና እቲ ዝንእስ ይዓብዮ። 29ኵሎም ህዝብን ተገውትን ሰሚዖም፡ ብጥምቀት ዮሃንስ ተጠሚቖም ንኣምላኽ ኣጽደቕዎ። 30ፈሪሳውያንን ፈለጥቲ ሕግን ግና ብእኡ ኣይተጠምቁን እሞ ነቲ ኣምላኽ ዝመኸረሎም ምኽሪ ነዓቕዎ። 31እምብኣርሲ ንሰብ እዚ ወለዶ እዚ ብምንታይ ክምስሎም እየ፧ ንመንሲ ይመስሉ፧ 32ነቶም ኣብ ዕዳጋ ዝቕመጡ እሞ ንሓድሕዶም ተጻዋዊዖም፡ እምብልታ ነፋሕናልኩም ኣይሳዕሳዕኩምን፡ ኣልቀስናልኩም ኣይበኸኹምን፡ ዝብሉ ቘልዑ እዮም ዝመስሉ። 33ዮሃንስ መጥመቕ እማ መጸ፡ እንጌራ ኣይበልዕ፡ ወይኒ ኣይሰቲ፡ ጋነን ኣለዎ፡ ትብሉ ኣሎኹም። 34ወዲ ሰብ መጸ፡ ይበልዕ፡ ይሰቲ፡ እንሆ፡ በላዕን ሰታይ ወይንን፡ መፍቀር ተገውትን ሓጥኣንን፡ ትብሉ ኣሎኹም። 35ጥበብ ግና ብዅሎም ደቃ ጸደቐት።
36ሓደ ኻብ ፈሪሳውያን ድማ ምስኡ ኽበልዕ ለመኖ። ናብ ቤት እቲ ፈሪሳዊ ኣትዩ፡ ኣብ መኣዲ ተቐመጠ። 37እንሆ፡ ኣብታ ዓዲ ሓንቲ ሓጢኣተኛ ሰበይቲ ነበረት። ኣብ ቤት እቲ ፈሪሳዊ ምቕማጡ ምስ ፈለጠት፡ ቅዱይ ቅብኢ ዝመልአ ብልቃጥ ኣምጽአት። 38ብድሕሪኡ ኣብ ጥቓ እግሩ ደው ኢላ እናበኸየት፡ በቲ ንብዓታ እግሩ ኸተጠልቅዮ ጀመረት፡ ብጸጉሪ ርእሳ እናደረዘት እግሩ ትስዕም፡ ቅዱይ ቅብኢውን ትለኽዮ ነበረት። 39እቲ ዝጸውዖ ፈሪሳዊ ድማ ነዚ ርእዩ፡ እዚ ነብዪ እንተ ዝኸውንሲ፡ እዛ ዝተንከየቶ ሰበይቲ ሓጢያተኛ እያ እሞ፡ መን ከመይ ዘመሰለትውን ምኳና ምፈለጣ ነይሩ፡ ኢሉ ብልቡ ሓሰበ። 40የሱስ ከኣ፥ ስምኦን፡ ዝብለካ ኣሎኒ፡ ኢሉ መለሰሉ። ንሱ ኸኣ፡ በል፡ መምህር፡ በለ። 41ንሓደ መለቕሒ ኽልተ ሰብ ዕዳ ነበርዎ። ኣብቲ ሓደ ሓሙሽተ ሚእቲ፡ ኣብቲ ሓደ ድማ ሓምሳ ዲናር ነበሮ። 42ዝፈድይዎ ስለ ዝሰኣኑ ግና፡ ንኽልቲኦም ሓደገሎም። ካባታቶምሲ ኣዝዩ ዘፍቅሮ መኖም እዩ፧ 43ስምኦን ከኣ፥ ንኣይሲ እቲ ብዙሕ እተሓደገሉ ይመስለኒ፡ ኢሉ መለሰ። ንሱ ኸኣ፥ ቅኑዕ ፈረድካ፡ በሎ። 44ናብታ ሰበይቲ ግልጽ ኢሉ ኸኣ ንስምኦን በሎ፥ ነዛ ሰበይቲ እዚኣስ ትርእያዶ ኣሎኻ፧ ናብ ቤትካ ኣቶኹ እሞ ንእግረይ እኳ ማይ ኣይሃብካንን፡ እዚኣ ግና ብንብዓታ ኣእጋረይ ኣጠልቀየት ብጸጉሪ ርእሳውን ደረዘት። 45ንስኻ ኣይተሳለምካንን፡ እዚኣ ግና ካብ ዝኣቱ ጀሚራ ኻብ ምስዓም ኣእጋረይ ኣይዓረፈትን። 46ንስኻ ርእሰይ ብዘይቲ ኣይለኸኻንን፡ እዚኣ ግና ኣእጋረይ ብቕዱይ ቅብኢ ለኸየት። 47ስለዚ፡ ብዙሕ ስለ ዘፍቀረት፡ ንእኣ ብዙሕ ሓጢኣት ተሓዲጉላ፡ እብለካ ኣሎኹ። እቲ ሒደት ዝሕደገሉ ኸኣ ሒደት እዩ ዘፍቅር። 48ንኣእ ድማ፥ ሓጢኣትኪ ተሓዲጉልኪ፡ በላ። 49እቶም ምስኡ ኣብ መኣዲ እተቐመጡ ኸኣ ብልቦም፥ እዚ ሓጢኣት ድማ ዝሓድግሲ፡ መን እዩ፧ ክብሉ ጀመሩ። 50ንሱ ግና ነታ ሰበይቲ፡ እምነትኪ ኣድሒናትኪ፡ ብሰላም ኪዲ፡ በላ።
   ወን.ሉቃስ ምዕራፍ 8
   1ድሕርዚ ድማ ዀነ፡ ንሱ መንግስቲ ኣምላኽ እናሰበኸን እናኣበሰረን ፍቕዳ ኸተማታትን ዓድታትን ይዘውር ነበረ። እቶም ዓሰርተው ክልተ ኸኣ ምስኡ ነበሩ። 2-3ካብ ርኹሳት መናፍስትን ካብ ሕማምን ዝሓወያ ሓያሎ ኣንስቲ ድማ ነበራ፡ ሾብዓተ ኣጋንንቲ ዝወጹላ እታ መግደላዊት ዝብልዋ ማርያም፡ ዮሃና ሰበይቲ ኩዛ ኣዛዝ ቤት ሄሮድስ፡ ሱሳና ኸኣ ብገንዘበን ዘገልግላኦ ኻልኦት ብዙሓትውን ምስኡ ነበራ።
4ብዙሓት ህዝቢ ምስ ተኣከቡ፡ ካብ ፍቕዳ ኸተማታት ናብኡ ምስ መጹ፡ ብምስላ ኸምዚ ኢሉ ተዛረበ፡ 5ዘራኢ ዘርኡ ክዘርእ ወፈረ። ክዘርእ ከሎ ድማ፡ ገሊኡ ኣብ ጥቓ መገዲ ወደቐ፡ ተረግጸ ኣዕዋፍ ሰማይውን በልዓኦ። 6ገሊኡ ኸኣ ኣብ ከውሒ ወደቐ፡ ምስ በቘለ ድማ፡ ጠሊ ስለ ዘይነበሮ ነቐጸ። 7ገሊኡውን ኣብ ማእከል እሾኽ ወደቐ፡ እቲ እሾኽ ምስኡ ዓብዩ ሓነቖ። 8ካልእ ከኣ ኣብ ጽቡቕ ምድሪ ወደቐ፡ በቖለ ሚእቲ ኻዕበት ድማ ፈረየ። እዚ ምስ በለ፥ እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ፡ ኢሉ ጨደረ።
9ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ፥ እዚ ምስላ እዚ እንታይ ማለት እዩ፧ ኢሎም ሓተትዎ። 10ንሱ በሎም፥ ምፍላጥ ምስጢር መንግስቲ ኣምላኽ ንኣኻትኩም ተውሂቡ ኣሎ፡ ንኻልኦት ግና፡ እናረኣዩ ምእንቲ ኸይርእዩ፡ እናሰምዑውን ከየስተውዕሉስ፡ ብምስላ እዛረቦም ኣሎኹ። 11እቲ ምስላኡ እዚ እዩ፥ እቲ ዘርኢ ቃል ኣምላኽ እዩ። 12እቶም ኣብ ጥቓ መገዲ፡ ንሳቶም ዝሰምዑ እዮም። ድሕርቲ፡ ምእንቲ ከይኣምኑን ከይድሕኑን ኢሉ፡ ሰይጣን መጺኡ ነቲ ቓል ካብ ልቦም ይወስዶ። 13እቶም ኣብ ከውሒ፡ ንሳቶም ንቓል ምስ ሰምዕዎ፡ ብሓጐስ ዝቕበልዎ እዮም። እዚኣቶም ግና ንግዜኡ ደኣ እዮም ዝኣምኑ እምበር፡ ሱር የብሎምን፡ ብግዜ ፈተናውን ይጠልሙ። 14እቲ ኣብ እሾኽ ዝወደቐ እዚኣቶም እዮም፥ ምስሰምዑ፡ መገዶም ከይዶም ብሓልዮትን ሃብትን ጣዕሚ ንብረትን ይሕነቑ እሞ ፍረ ኣይፈርዩን። 15እቶም ኣብ ጽቡቕ ምድሪ ድማ፡ ነቲ ቓል ሰሚዖምሲ፡ ኣብ ቅኑዕን ጽቡቕን ልቢ ዝዓቝርዎ፡ ብትዕግስቲውን ፍረ ዝፈርዩ እዮም።
16ንመብራህቲ ኣብሪሁ፡ እቶም ዝኣትዉ ብርሃን ምእንቲ ኽርእዩ ኣብ ቀዋሚ ቐንዴል ይሰቕሎ እምበር፡ በቕሓ ዝኸድኖ ወይስ ኣብ ትሕቲ ዓራት ዘንብሮ የልቦን። 17ዘይገሃድ ሕቡእ የልቦን እሞ፡ ዘይፍለጥን ናብ ግልጺ ዘይወጽእን ስዉር ከኣ የልቦን። 18እምብኣርከ ንዘለዎ ኽወሃቦ እዩ፡ ነቲ ዘይብሉ ግና እታ ዘላቶ እትመስሎ እኳ ኻብኡ ኽትውሰድ እያ እሞ፡ ስለዚ ኸመይ ጌርኩም ከም እትሰምዑ ተተንቀቑ።
19ኣዲኡን ኣሕዋቱን ድማ ናብኡ መጹ፡ ብምኽንያት እቲ እኩብ ህዝቢ ግና ክረኽብዎ ኣይከኣሉን። 20ኣዴኻን ኣሕዋትካን ክርእዩኻ ደልዮም፡ ኣብ ወጻኢ ደው ኢሎም ኣለዉ፡ ኢሎም ነገርዎ። 21ንሱ ኸኣ፥ ኣደይን ኣሕዋተይንሲ እዞም ንቓል ኣምላኽ ዝሰምዕዎን ዝገብርዎን እዮም፡ ኢሉ መለሰሎም።
22ሓንቲ መዓልቲ ድማ ዀነ፡ ንሱ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ናብ ጃልባ ኣትዩ፥ ንዑናይ፡ ናብቲ ማዕዶ ባሕሪ ንሳገር፡ በሎም፡ ከዱውን። 23ክኸዱ ኸለዉ ኸኣ፡ ደቀሰ። ህቦብላ ንፋስ ኣብ ባሕሪ ወረደ፡ ነታ ጃልባኦም ከኣ ማይ መልኣ፡ ፍርሃትውን ሓዞም። 24ሽዑ ናብኡ ቐሪቦም፥ መምህር፡ መምህር፡ ጠፋእና፡ ኢሎም ኣተንስእዎ። ንሱ ኸኣ ተንሲኡ፡ ነቲ ንፋስን ነቲ ማዕበል ማይን ገንሖ እሞ፡ ስቕ በለ ህድኣትውን ኰነ። 25ሽዑ፥ ኣበይ ደኣ ኣላ እምነትኩም፧ በሎም። ፈሪሆም ከኣ፥ እዚ ንንፋስን ማይን ዝእዝዞም እሞ ዝእዘዝዎስ መን ኰን እዩ፧ እናተባሃሃሉ ተደነቑ።
26ኣብ ማዕዶ ገሊላ ናብ ዘሎ ምድሪ ጌርጌሴኖን ተሳገሩ። 27ናብ ምድሪ ምስ ወጸ፥ ኣጋንንቲ ዝሓደሮ ሰብኣይ ካብ ከተማ ተጓነፎ። ንሱ ኸኣ ነዊሕ ዘመን ክዳን ከይተኸድነ ኣብ መቓብር እምበር፡ ኣብ ቤት ዘይቕመጥ እዩ ዝነበረ። 28ንየሱስ ምስ ረኣዮ፡ ጨዲሩ ኣብ ቅድሚኡ ወደቐ ብዓብዪ ድምጺውን፥ የሱስ ወዲ ልዑል ኣምላኽ፥ ምሳኻኸ እንታይ ኣሎኒ፡ ከይትሳቕየኒ እልምነካ ኣሊኹ፡ በሎ። 29ነቲ ርኹስ መንፈስ ካብቲ ሰብኣይ ክወጽእ ኣዘዞ። ብዙሕ ዘመናት ሐዲርዎ ነበረ እሞ፡ ብሰንሰለትን ብመቝሕን ተኣሲሩ ይሕሎ ነበረ። ማእሰሪኡ ይሰብር፡ እቲ ጋኔን ድማ ናብ በረኻ ሃለው የብሎ ነበረ። 30የሱስ ከኣ፥ ስምካ መን እዩ፧ ኢሉ ሓተቶ። ንሱ ኸኣ፡ ብዙሓት ኣጋንንቲ ሓዲሮምዎ ስለ ዝነበሩ፥ ለጌዎን፡ በለ። 31ናብ መዓሙቝ ክኸዱ ኸይእዝዞም ድማ ለመንዎ። 32ኣብኡ ብርቱዕ መጓሰ ሓሰማታት ኣብ ከረን ይበልዕ ነበረ። ናብኡ ንምእታው ክፈቕደሎም ከኣ ለመንዎ፡ ንሱውን ፈቐደሎም። 33እቶም ኣጋንንቲ፡ ካብቲ ሰብኣይ ወጺኦም፡ ናብተን ሓሰማታት ኣተዉ፡ እቲ መጓሰ ድማ ካብቲ ጸድፊ ናብ ባሕሪ ጸዲፉ ጠሓለ። 34እቶም ጓሶት ከኣ እቲ ዝዀነ ምስ ረኣዩ፡ ሃደሙ፡ ኣብ ከተማን ዓድታትን ኣውረዩ። 35እቶም ህዝቢ ኸኣ እቲ ዝዀነ ኽርእዩ ወጹ፡ ናብ የሱስውን መጹ። እቲ ኣጋንንቲ ዝወጹሉ ሰብኣይ፡ ክዳኑ ተኸዲኑ ናብ ልቡ ተመሊሱ፡ ኣብ እግሪ የሱስ ተቐሚጡ ረኸብዎ እሞ ፈርሁ። 36እቶም ዝረኣይዎ ድማ፡ እቲ ጋኔን ዝነበሮ ኸመይ ኢሉ ኸም ዝሓወየ፡ ነገርዎም። 37እቶም ኣብ ከባቢ ጌርጌሴኖን ዝነበሩ ደቂ ሃገር ብዙሕ ፍርሃት ስለ ዝፈርሁ፡ ካባታቶም ክኸይድ ለመንዎ። ኣብ ጃልባ ኣትዩ ኸኣ ተመልሰ። 38እቲ ኣጋንንቲ ዝወጸሉ ሰብኣይ ድማ ምስኡ ክኸውን ለመኖ። የሱስ ግና፥ 39ናብ ቤትካ ተመለስ፡ ኣምላኽ ከመይ ዝበለ ዓብዪ ግብሪ ኸም ዝገበርልካ ንገር፡ ኢሉ ሰደዶ። ከይዱ ድማ፡ እቲ የሱስ ዝገበረሉ ዘበለ ኣብ ብዘላ እታ ኸተማ ነገረ።
40ኰነ ድማ፡ የሱስ ምስ ተመልሰ፡ ኵሎም ይጽበይዎ ነበሩ እሞ፡ እቶም ሰብ ተቀበልዎ። 41እንሆ ኸኣ፡ ያኢሮስ ዝስሙ ሰብኣይ መጸ፡ ንሱ ድማ መራሕ ቤት ጸሎት እዩ። ኣብ እግሪ የሱስ ወዲቑ ናብ ቤቱ ኽኣቱ ለመኖ። 42ሓንቲ ጓል ጥራይ፡ ንሳ ኸኣ ጓል ዓሰርተው ክልተ ዓመት እትኸውን፡ ነበረቶ። ንሳ ንሞት ቀሪባ ነበረት። ክኸይድ ከሎ ድማ፡ እቶም ህዝቢ ይደፍእዎ ነበሩ።
43እንሃ፡ ካብ ዓሰረተው ክልተ ዓመት ሒዛ ደም ዛሕዛሕ ዝብላ ሰበይቲ ነበረት። ንሳ ኸኣ ኩሉ ገንዘባ ንሓኻይም ወድአት፡ ግናኸ ሓደ እኳ ክፍውሳ ኣይከኣለን። 44ብድሕሪኡ ቐሪባ ዘፈር ክዳኑ ተንከየት፡ ብኡብኡ እቲ ምኽዓው ደማ ኣቋረጸ። 45የሱስ ከኣ፥ መን እዩ ዝተንከየኒ፧ በለ። ኵሎም፥ ኣይፋልናን፡ ምስ በሉ፡ ጴጥሮስ ምስቶም ምስኡ ዘልዉ ዀይኑ፥ መምህር፡ እዞም ህዝቢ ይደፍኡኻን ይጸቕቱኻን ኣለዉ፡ ንስኻ ድማ፥ መን እዩ ዝተንከየኒ፧ ትብል፡ በሎ። 46የሱስ ግና፥ ካባይ ሓይሊ ኸም ዝወጸ ይፍለጠኒ ኣሎ እሞ፡ ዝተንከየንስ ኣሎ፡ በሎ። 47እታ ሰበይቲ ድማ ከም ዘይተሓብአት ምስ ረኣየት፡ ራዕራዕ እናበለት መጺኣ ሰገደትሉ። ኣብ ቅድሚ እቲ ዅሉ ህዝቢ ድማ፡ ብምንታይ ምኽንያት ከም ዝተንከየቶ፡ ሽዑ ንሽዑውን ከም ዝሓወየት፡ ነገረቶ። 48ንሱ ኸኣ፥ ኣጆኺ ጓለይ፡ እምነትኪ ኣሕወየትኪ፡ ብሰላም ኪዲ፡ በላ።
49ንሱ ገና ክዛረብ ከሎ፡ ሓደ ኻብ ገዛ መራሕ ቤት ጸሎት፥ ጓልካ ሞይታ፡ ደጊም ንመምህር ኣይተድክሞ፡ እናበለ መጸ። 50የሱስ ሰሚዑ፥ ኣይትፍራህ፥ እመን ደኣ እሞ ክትሓዊ እያ፡ ኢሉ መለሰሉ። 51ኣብታ ቤት ምስ በጽሐ ኸኣ፡ ብዘይ ጴጥሮስን ያእቆብን ዮሃንስን ኣቦ እታ ጓልን ኣዲኣን፡ ሓደ እኳ ምስኡ ኽኣቱ ኣይፈቐደን። 52ኵሎም ድማ ይበኽዩን ዋይዋይ ይብሉን ነበሩ። ሽዑ ንሱ፥ ኣይትብከዩ፡ ደቂሳ እያ ዘላ እምበር፡ ኣይሞተትን፡ በለ። 53ከም ዝሞተት ስለ ዝፈለጡ፡ ሰሓቕዎ። 54ንሱ ኸኣ ንዅሎም ናብ ወጻኢ ኣውጺኡ፡ ብኢዳ ሒዙ ዓው ኢሉ፥ ኣቲ ጓል ተንስኢ፡ በለ። 55ሽዑ ትንፋሳ ተመልሰት እሞ ብኡብኡ ተንስአት፡ ዝብላዕ ክህብዋ ድማ ኣዘዘ። 56ወለዳ ገረሞም፡ ንሱ ግና እዚ ዝዀነ ንሓደ እኳ ኸይነግሩ ኣዘዞም።
   ወን.ሉቃስ ምዕራፍ 9
   1ነቶም ዓሰርተው ክልተ ብሓባር ጸዊዑ፡ ኣብ ልዕሊ ዅሎም ኣጋንንቲ ሕማምውን ከሕውዩ ሓይልን ስልጣንን ሃቦም። 2መንግስቲ ኣምላኽ ክሰብኩን ንሕሙማት ከሕውዩን ከኣ ለኣኾም። 3በሎም ድማ፡ ንመገዲ ገለ ኣይትማልኡ፡ በትሪ ዀነ፡ ለቘታ ዀነ፡ እንጌራ ዀነ፡ ገንዘብ ኰነ ወይ ክልተ ቐምሽ ኣይሃሉኹም። 4ኣብታ ዝኣቶኹምዋ ቤት ድማ፡ ኣብኣ ኹኑ፡ ካብኣውን መገድኹም ኪዱ። 5ኣብቲ ዘይቅበሉኹም ዘበለ ኸኣ ካብታ ኸተማ እቲኣ ወጺእኩም፡ ንኣታቶም ንምስክር ክኸውን፡ ተጐጓ እግርኹም ንገፉ። 6ወጺኦም ድማ ዓዲ ንዓዲ እናዞሩ፡ ወንጌል ይሰብኩ ኣብ ኵሉውን የሕውዩ ነበሩ።
7ሄሮድስ ብዓል ርባዕ ሽመት ነቲ ብእኡ እተገብረ ነገር ሰሚዑ ተዋላወለ። ሓያሎ ሰባት፡ ዮሃንስ ካብ ምዉታት ተንሲኡ፡ ይብሉ ነበሩ እሞ፡ 8ገሊኦም፡ ኤልያስ ተራእዩ፡ ገሊኦም ከኣ፥ ካብቶም ቀዳሞት ነብያትሲ ሓደ ተንሲኡ እዩ፡ በሉ። 9ሄሮድስ ከኣ፥ ንዮሃንስ ኣነ ርእሱ ኣሰይፈዮ ነይረ። እዚ ብዛዕባኡ ኸምዚ ዝበለ ነገር ዝሰምዕ ዘሎኹ ደኣ መን እዩ፧ በለ፡ ክርእዮውን ይደሊ ነበረ።
10ሃዋርያት ድማ ምስ ተመለሱ፡ ዝገበርዎ ዘበለ ነገርዎ። ንበይኖም ድማ፡ ናብ ጽምዊ ቦታ ኣብ ጥቓ ቤተ ሳይዳ እትብሃል ከተማ ምስኡ ወሰዶም። 11እቶም ህዝቢ ኸኣ እዚ ሰሚዖም ሰዓብዎ። ንሱ ድማ ተቐበሎም፡ ብናይ መንግስቲ ኣምላኽ ኸኣ ነገሮም፡ ምሕዋይ ንዘድልዮምውን ኣሕወዮም። 12ምድሪ ክመሲ ጀመረ። እቶም ዓሰርተው ክልተ ኸኣ ቀሪቦም፥ ኣብዚ ኣብ በረኻ ኢና ዘሎና እሞ፡ እዞም ህዝቢ ኣብ ዙርያና ናብ ዘሎ ዓድታትን ገዛታትን ከይዶም ክሓድሩ ዝብላዕውን ክረኽቡ፡ ኣሳናብቶም፡ በልዎ። 13ንስኻትኩም ዝብላዕ ሃብዎም፡ በሎም። ንሳቶም ግና፡ ንሕና ኼድና፡ ነዚ ዅሉ ህዝብዚ መብልዕ ክንዕድግ እንተ ዘይኰይኑ፡ ምሳና ዘሎስ ካብ ሓሙሽተ እንጌራን ክልተ ዓሳን ኣይበዝሕን እዩ፡ በሉ። 14ኣስታት ሓሙሽተ ሽሕ ሰብ ይዀኑ ነበሩ እሞ፡ ንደቀ መዛሙርቱ፥ በብሓምሳ እናሰራዕኩም ኣቐምጥዎም፡ በሎም። 15ከምኡ ገበሩ ንዅሎምውን ኣቐመጥዎም። 16ነተን ሓሙሽተ እንጌራን ክልተ ዓሳን ኣልዒሉ ናብ ሰማይ ጠመተ፡ ባሪኹ ቘረሰ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ኸኣ ነቶም ህዝቢ ከቕርብሎም ሃቦም። 17ኵሎም በሊዖም ጸገቡ፡ ዝተረፈ ቈረርስ ድማ ዓሰርተው ክልተ መሶብ መሊኦም ኣልዓሉ።
18ኰነ ድማ፡ ንበይኑ ክጽሊ ኸሎ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቱ ምስኡ ነበሩ። ንሱውን፥ ሰብ መን እዩ ይብለኒ ኣሎ፧ ኢሉ ሓተቶም። 19ንሳቶም ከኣ፡ ዮሃንስ መጥምቕ፡ ገሊኦም፡ ኤልያስ እዩ፡ ይብሉ፡ ገሊኦምውን፡ ካብቶም ቀዳሞት ነብያትሲ ሓደ ተንሲኡ፡ ዝብሉ ኣለዉ፡ ኢሎም መለስሉ። 20ንሱ ኸኣ፥ ንስኻትኩምከ መን እዩ ትብሉኒ፧ በሎም። ጴጥሮስ ከኣ፥ እቲ ናይ ኣምላኽ ቅቡእ ኢኻ፡ ኢሉ መለሰሉ። 21ንሱ ድማ ገንሖም፡ እዚ ንሓደ ኸይነግሩ ኸኣ ኣዘዞም እሞ፥ 22ወዲ ሰብ ብዙሕ መከራ ኽጸግብ፡ ብዓበይትን ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን ክነዓቕን ክቕተልን ብሳልሰይቲ መዓልቲ ኽትንስእን ብግዲ እዩ፡ በሎም። 23ንዅሎም ከኣ፥ ደድሕረይ ክስዕብ ዝደሊ፡ ነፍሱ ይቕበጽ፡ መስቀሉ ኣብ ጸጽባሕ የልዕል እሞ ይስዓበኒ። 24ምድሓን ነፍሱ ዝደሊ ኸጥፍኣ እዩ እሞ፡ እቲ ንነፍሱ ምእንታይ ዘጥፍኣ ግና፡ ንሱ ኸድሕና እዩ። 25ሰብከ ንብዘላ ዓለም ረቢሑስ፡ ንነፍሱ እንተ ጐድኣ ወይስ እንተ ኣጥፍኣ፡ እንታይ ይጠቕሞ፡ 26ብኣይን ብቓለይን ዝሓፍር ዘበለ፡ ወዲ ሰብ ብግርማኡን ብግርማ ኣቦኡን ብግርማ ቅዱሳን መላእኽቱን ክመጽእ ከሎ፡ ብእኡ ኽሓፍር እዩ። 27ካብዞም ኣብዚኣ ደው ኢሉም ዘለዉ ሰባት፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ክሳዕ ዝርእይዋ፡ ሞት ዘይጥዕሙ ኸም ዘለዉ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ በሎም።
28ድሕሪ እዚ ዘረባዚ ኣብ ሰሙኑ ኣቢሉ ኸኣ ዀነ፡ ንጴጥሮስን ዮሃንስን ያእቆብን ተማሊኡ፡ ክጽሊ ናብ ከረን ደየበ። 29ክጽሊ ኸሎ፡ ትርኢት ገጹ ተለወጠ፡ ክዳዉንቱውን ብርቅርቕ ዝብል ጻዕዳ ዀነ። 30እንሆ ድማ፡ ክልተ ሰባት፡ ንሳቶም ከኣ ሙሴን ኤልያስን፡ ምስኡ ይዛራረቡ ነበሩ። 31ብግርማ ኸኣ ተገልጹ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ የሩሳሌም ክፍጸም ዘለዎ ምውጻኡ ድማ ይዛራረቡ ነበሩ። 32ጴጥሮስን እቶም ምስኡ ዘለዉን ግና ድቃስ ከቢድዎም ነበረ። ምስ ተባራበሩ፡ ግርማኡን ክልተ ሰብ ድማ ምስኡ ደው ዝበሉን ረኣዩ። 33ኰነ ኸኣ፡ እቲኣቶም ካብኡ ኽፍለዩ ኸለዉ፡ ጴጥሮስ ንየሱስ፥ መምህር፡ ንኣና ኣብዚ ኽንነብር ጽቡቕ እዩ። ሰለስተ ዳስ ክንሰርሕ፥ ሓደ ንኣኻ፡ ሓደ ንሙሴ፡ ሓደውን ንኤልያስ፡ በሎ። ዝብሎ ኣይፈልጥን ነበረ። 34ንሱ እዚ ክዛረብ ከሎ፡ ደበና መጺኡ ኣጐልበቦም። ናብ ደበና ኽኣትዉ ኸለዉ ኸኣ፡ ፈርሁ። 35ካብቲ ደበና ድማ፥ እቲ ዝሓሬኽዎ ወደይ እዚ እዩ፡ ንእኡ ስምዕዎ፡ ዝብል ድምጺ መጸ። 36እቲ ድምጺ ኽመጽእ ከሎ፡ ንየሱስ በይኑ ረከብዎ። ንሳቶምውን ስቕ በሉ፡ ሽዑ ቅነ ዝረኣይዎ ነገር ንሓደ እኳ ኣይነገሩን።
37ንጽብሒቱ ድማ ዀነ፡ ካብ ከረን ምስ ወረደ፡ ብዙሓት ህዝቢ ተቐበልዎ። 38እንሆ ኸኣ፡ ካብቶም ህዝቢ ሓደ ሰብኣይ፥ ዎ መምህር፡ ሓደ ንሱ እዩ ውሉደይ እሞ፡ ነዚ ወደይ ክትርእየለይ እልምነካ ኣለኹ፡ እናበለ ጨርሐ። 39እንሆ፡ መንፈስ ይሕዞ፡ ብኡብኡ ይብህርር፡ ፈንጠራዕራዕውን የብሎ፡ እናዕፈሮ፡ እናቀጥቀጦ ብጻዕሪ ይሓድጎ። 40ንደቀ መዛሙርትኻ ኸውጽእዎ ለሚነዮምሲ፡ ምውጻኡ ስኢኖም፡ በለ። 41የሱስ ከኣ፥ ኣታ ዘይእሙን ቄናን ወለዶ፡ ክሳዕ መኣዝከ ምሳኻትኩም ክነብርን ክዕገሰኩምን እየ፧ ንወድኻ ናብዚ ኣምጻዮ፡ ኢሉ መለሰሉ። 42ንሱ ኽመጽእ ከሎ፡ እቲ ጋኔን ኣንፈጥፈጦ ጠንቀላዕላዕውን ኣበሎ። የሱስ ግና ነቲ ርኹስ መንፈስ ገኒሑ፡ ነቲ ቘልዓ ኣሕወዮ ነቦኡውን ሃቦ። 43ኵላቶም ድማ ብዕቤት ኣምላኽ ኣስተንከሩ። ኵላቶም በቲ የሱስ ዝገበሮ ዅሉ ኸስተንክሩ ኸለዉ ኸኣ፡ ንደቀ መዛሙርቱ፥ 44ወዲ ሰብ ኣብ ኢድ ሰብ ክውሃብ እዩ እሞ፡ ንስኻትኩም ነዚ ነገርዚ ኣብ ኣእዛንኩም ኣእትዉዎ፡ በሎም። 45ንሳቶም ግና ነዛ ዘረባ እዚኣ ኣየስተውዓልዋን፡ ከየስተብህልዋ ድማ ተሰዊራቶም ነበረት። በዛ ዘረባ እዚኣ ኸይሓትዎውን ፈርሁ። 46ካባታቶምሲ መኖም ከም ዝዓቢ ኸኣ ኣብ ማእከሎም ሓሳብ ኣተዎም። 47የሱስ ድማ ሓሳብ ልቦም ርእዩ፡ ሕጻን ወሰደ፡ ኣብ ጥቓኡ ደው ኣቢሉ፥ 48ነዚ ሕጻንዚ ብስመይ ዝቕበል ንኣይ እዩ ዝቕበል። እቲ ንኣይ ዝቕበል ከኣ ነዚ ዝለኣኸኒ ይቅበሎ። እቲ ኣብ ማእከል ኵልኹም ዝንእስ፡ ዓብዪ ዝኸውን ንሱ እዩ፡ በሎ።
49ዮሃንስ ከኣ፥ መምህር፡ ሓደ ሰብኣይ ብስምካ ኣጋንንቲ ኸውጽእ ከሎ ርኢናዮስ፡ ምሳና ስለ ዘይሰዓበ፡ ከሊእናዮ፡ ኢሉ መለሰሉ። 50የሱስ ከኣ፥ ዘይከራኸረኩም ዘበለ፡ ንሱ ምሳኻትኩም እዩ እሞ፡ ኣይትኽልእዎ፡ በሎ።
51ኰነ ድማ፡ መዓልትታት ዕርገቱ ምስ ቀረባ፡ ናብ የሩሳሌም ንምኻድ ገጹ መለሰ። 52ቀቅድሚኡ ልኡኻት ሰደደ፡ ከይዶም ከዳልዉሉ ድማ ኣብ ሓንቲ ዓዲ ናይ ሰማርያ ኣተዉ። 53ንሳቶም ግና፡ ናብ የሩሳሌም ንምኻድ ገጹ መሊሱ ስለ ዝነበረ፡ ኣይተቐበልዎን። 54እቶም ደቀ መዛሙርቱ ያእቆብን ዮሃንስን ከኣ ነዚ ምስ ረኣዩ፥ ጐይታይ፡ ከምቲ ኤልያስ ዝገበሮ፡ ሓዊ ኻብ ሰማይ ወሪዱ ኸጥፍኦም ክንብልዶ ትደሊ ኢኻ፧ በሉ። 55-56ምልስ ኢሉ፥ ወዲ ሰብ ነፍሳት ሰብ ከድሕን እምበር፡ ከጥፍእሲ ኣይመጸን እሞ፡ ናይ ኣየናይ መንፈስ ምዃንኩም ኣይትፈልጡን ኢኹም፡ እናበለ ገንሖም። ናብ ካልእ ዓዲ ኸኣ ኸዱ።
57ኰነ ድማ፡ ኣብ መገዲ ክኸዱ ኸለዉ፡ ሓደ፥ ጐይታይ፡ ናብ እትኸዶ ዘበለ ዅሉ ኽስዕበካ እየ፡ በሎ። 58የሱስ ከኣ፥ ንወኻሩ ጕድጓድ፡ ነዕዋፍ ሰማይውን መሕደሪ ኣለወን፡ ንወዲ ሰብ ግና ርእሱ ዘጸግዓላ ስፍራ የብሉን፡ በሎ። 59ንሓደ ኻልእ ድማ፡ ስዓበኒ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ፥ ጐይታይ፡ ቅድም ከይደ ነቦይ ክቐብሮ ፍቐደለይ፡ በሎ። 60የሱስ ድማ፥ ምዉታት ንምዉታቶም ይቕበሩ ሕደጎም። ንስኻ ግና ኪድ፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንገር፡ በሎ። 61ሓደ ኻልእ ድማ፥ ጐይታይ፡ ክስዕበካ እየ፡ ግናኸ ቅድም ካብ ስድራ ቤተይ ክሳናበት ፍቐደለይ፡ በሎ። 62የሱስ ግና፥ ዕርፊ ብኢዱ ሒዙ ንድሕሪት ዚርኢ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣይበቅዕን እዩ፡ በሎ።
   ወን.ሉቃስ ምዕራፍ 10
   1ድሕርዚ ጐይታ ድማ ካልኦት ሰብዓ ሰርዐ፡ በብኽልተ ገይሩ ኸኣ፡ ናብቲ ንሱ ዝኸዶ ዘበለ ኸተማን ስፍራን ቀቅድሚኡ ለኣኾም። 2በሎም ከኣ፥ እኽሊ ብዙሕ እዩ፡ ዓየይቲ ግና ሒደት እዮም። ስለዚ ነቲ ጐይታ እኽሊ ንእኽሉ ዓየይቲ ክልእኽ፡ ለምንዎ። 3መገድኹም ኪዱ። እንሆ፡ ኣነ ኸም ኣባጊዕ ናብ ማእከል ተዃሉ እሰደኩም ኣሎኹ። 4ማሕፉዳን ለቘታን ኣሳእንን ኣይትማልኡ፡ ኣብ መገዲ ንሓደ እኳ ኸመዓልካ ኣይትበሉ። 5ኣብ ዝኣቶኹምዋ ቤት፡ ቅድም፡ ነዛ ቤት ሰላም ይኹን፡ በሉ። 6ኣብኣ ወዲ ሰላም እንተሎ፡ ሰላምኩም ኣብኡ ኽሓድር እዩ፡ እንተ ዘየልቦ ግና፡ ሰላምኩም ክምለሰኩም እዩ። 7ኣብታ ቤት ከኣ ንበሩ፡ ንዓያዪ ዓስቡ ይግብኦ እዩ እሞ፡ ኣባታቶም ካብ ዘሎ ብልዑን ስተዩን። ካብ ቤት ናብ ቤት ኣይትሕለፉ። 8ኣብ ዝኣቶኹምዋ ኸተማውን እንተ ተቐበሉኹም፡ ዝቐረቡልኩም ብልዑ። 9ኣብኣ ንዘለዉ ሕሙማት ኣሕውዩ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ናባኻትኩም ቀሪባ ኣላ፡ ከኣ በልዎም። 10ኣብታ ዝኣቶኹምዋ ኸተማ እንተ ዘይተቐበሉኹም ግና፡ ናብ ኣደባባይ ወጺእኩም፥ 11እቲ ኻብ ከተማኹም ዝለገበና ተጐጓ እኳ ንነግፈልኩም ኣሎና። እታ መንግስቲ ኣምላኽ ናባኻትኩም ከም ዝቐረበት ግና፡ እዚ ፍለጡ በሉ። 12በታ መዓልቲ እቲኣ ኻብ ነታ ኸተማ እቲኣስ ንሶዶም ከም ዝቐልል፡ እብለኩም ኣሎኹ።
   13ወይለኺ ኰራዚን፡ ወይለኺ ቤተሳይዳ እዚ ኣባኻትክን እተገብረ ሓይሊ ኣብ ጢሮስን ሲዶናን ተገይሩ እንተ ዝኸውንሲ፡ ማቕ ተኸዲነን ኣብ ሓሙዅስቲ ተቐሚጠን ቀደም ምተነስሓ ነይረን። 14ብመዓልቲ ፍርዲ ግና ካብ ንኣኻትክን ንጢሮስን ሲዶናን ክቐልል እዩ። 15ኣቲ ቅፍርናሆም፡ ንስኺኸ ኽሳዕ ሰማይዶ ልዕል ክትብሊ ኢኺ፧ ክሳዕ ሲኦልከስ ከተንከራርዊ ኢኺ። 16ንኣኻትኩም ዝሰምዕ ንኣይ ይሰምዕ፡ ንኣኻትኩም ዝንዕቕ ድማ ንኣይ ይንዕቕ፡ እቲ ንኣይ ዝንዕቕ ከኣ ነቲ ዝለኣኸኒ እዩ ዝንዕቆ። 17እቶም ሰብዓ ልኡኻት ከኣ፥ ጐይታይ፡ ኣጋንንቲ ድማ ብስምካ ይግዝኡና ኣለዉ፡ እናበሉ ብሓጐስ ተመልሱ። 18በሎም፥ ሰይጣን ከም መብረቕ ካብ ሰማይ ክወድቕ ከሎ ርኤኽዎ። 19እንሆ፡ ተመንን ዕንቅርቢትን ኵሉ ሓይሊ ጸላእን ክትረግጹ ስልጣን ሂበኩም ኣሎኹ፡ ዝጐድኣኩም ከኣ የልቦን። 20ግናኸ ስምኩም ኣብ ሰማይ ስለ እተጻሕፈ ደኣ፡ ኣዚኹም ተሓጐሱ እምበር፡ መናፍስቲ ስለ እተመልኩልኩም፡ በዚ ኣይትተሓጐሱ።
   21በታ ግዜ እቲኣ የሱስ ብመንፈስ ቅዱስ ተሓጐሰ፡ በለውን፥ ኣቦይ ጐይታ ሰማይን ምድርን፡ ነዚ ኻብ ብልህታትን ካብ ለባማትን ስለ ዝሓባእካዮ፡ ንሕጻናት ከኣ ስለ ዝገለጽካዮ፡ እወ ኣቦይ፡ ስምረትካ ኣብ ቅድሜኻ ኸምዚ ስለ ዝዀነ፡ ኤመስግነካ ኣሎኹ። 22ኵሉ ኻብ ኣቦይ ተዋህበኒ። ንወዲ መን ምዃኑ፡ ብዘይ ኣቦ ሓደ እኳ ዝፈልጦ የልቦን። ነቦ ኸኣ መን ምዃኑ፡ ብዘይ ወድን ወዲ ከኣ ክገልጸሉ ዝፈተወን እምበር፡ ሓደ እኳ ዝፈልጦ የልቦን። 23-24ናብ ደቀ መዛሙርቱ ግልጽ ኢሉ ኸኣ ንበይኖም፥ ነዚ ንስኻትኩም እትርእይዎ ዘሎኹም፡ ብዙሓት ነብያትን ነገስታትን ክርእይዎ ደልዮምሲ ኣይረኣይዎን፡ ነዚ ንስኻትኩም እትሰምዕዎ ዘሎኹም ከኣ ኣይሰምዕዎን እሞ፡ ነዚ ንስኻትኩም እትርእይዎ ዘሎኹም ዝርእያ ኣዒንቲ ብጹኣን እየን፡ እብለኩም ኣሎኹ፡ በሎም።
   25እንሆ ኸኣ፡ ሓደ ፈላጥ ሕጊ፥ መምህር፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽወርስ እንታይ እግበር፧ ኢሉ ክፍትኖ ተንስአ። 26ንሱ ከኣ፥ ኣብ ሕጊ እንታይ ጹሑፍ ኣሎ፧ ከመይሲ ተንብብ፧ በሎ። 27ንሱ ኸኣ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ብዅሉ ሓይልኻን ብዅሉ ሓሳብካን ኣፍቅሮ፡ ንብጻይካ ድማ ከም ነፍስኻ፡ ኢሉ መለሰሉ። 28ንሱ ኸኣ፥ ጽቡቕ መለስካ። ከምኡ ግበር እሞ ብህይወት ክትነብር ኢኻ፡ በሎ። 29ንሱ ግና ርእሱ ኸጽድቕ ደልዩ፡ ንየሱስ፥ ብጻየይከ መን እዩ፡ በሎ። 30የሱስ መሊሱ በለ፥ ሓደ ሰብኣይ ካብ የሩሳሌም ናብ ያሪኮ ኽወርድ ከሎ፡ ኣብ ኢድ ከተርቲ ወደቐ። ገፈፍዎን ከትከትዎን፡ ዳርጋ ምዉት ገይሮም ከኣ ገዲፎምዎ ኸዱ። 31ኰነ ኸኣ፡ ሓደ ካህን በታ መገዲ እቲኣ ኽወርድ ከሎ፡ ርእይዎ ሓለፈ። 32ከምኡ ድማ ሓደ ሌዋዊ ኣብታ ቦታ እቲኣ ምስ ብጽሐ፡ እናረኣዮ ሓለፈ። 33ሓደ ሳምራዊ ሓላፍ መገዲ ግና ናብኡ መጸ፡ ምስ ረኣዮ ኸኣ ደንገጸሉ። 34ናብኡ ቐሪቡ ኣቑሳሉ ሰፈፈሉ፡ ዘይትን ወይንን ከኣ ኣፍሰሰሉ፡ ኣብ ኣድጉ ኣወቲሑውን ናብ ማሕደር ኣጋይሽ ወሲዱ ኣለዮ። 35ንጽብሒቱ ድማ ክልተ ዲናር ኣውጺኡ፡ ነቲ ሓላው ማሕደር ኣጋይሽ ሃቦ እሞ፥ ተኸናኸኖ፡ ንእኡ ኢልካ ዘጥፋእካዮ ዘበለ ምስ ተመለስኩ ኸፈድየካ እየ፡ በሎ። 36ነቲ ኣብ ኢድ ከተርቲ ዝወደቐስ ካብዞም ሰለስተ፡ ብጻይ ዝዀኖ ኣየናዮም እዩ ይመስለካ፧ 37ንሱ ድማ፥ እቲ ምሕረት ዝገበረሉ፡ በለ። የሱስ ከኣ፡ ኪድከ፡ ንስኻውን ከምኡ ግበር፡ በሎ።
   38ክኸዱ ኸለዉ ድማ ዀነ፡ ንሱ ናብ ሓንቲ ዓዲ ኣተወ። ማርታ ዝስማ ሓንቲ ሰበይቲ ኸኣ ኣብ ቤታ ተቐበለቶ። 39ማርያም እትብሃል ሓብቲ ድማ ነበረታ። ንሳ ኸኣ ዘረባኡ ኽትሰምዕ ኣብ ጥቃ እግሪ የሱስ ተቐሚጣ ነበረት። 40ማርታ ግና ብብዙሕ ምግልጋል ትጽዕር፡ ነበረት፡ ደው ኢላ ከኣ፥ ጐይታይ፡ ሓብተይ ሓዲጋትኒ በይነይ ከገልግልዶ ግዲ የብልካን ኢኻ፧ እምብኣርከ ኽትድግፈኒ ንገራ፡ በለቶ። 41የሱስ ድማ፥ ማርታ፡ ማርታ፡ ብብዙሕ ነገር ትጭነቕን ትጕህይን ኣሎኺ። 42እቲ ዘድሊ ግና ሓደ ጥራይ እዩ። ማርያምሲ ኻብኣ ዘይውሰድ ጽቡቕ ግደ ሓርያ ኣላ፡ ኢሉ መለሰላ።
   ወን.ሉቃስ ምዕራፍ 11
   1ኰነ ድማ፡ ኣብ ሓንቲ ስፍራ ኽጽሊ ጸኒሑ፡ ምስ ወድአ፡ ሓደ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ፥ ጐይታይ፡ ከምቲ ዮሃንስ ንደቀ መዛሙርቱ ዝመሃሮም፡ ምጽላይ ምሃረና፡ በሎ። 2ንሱ ኸኣ በሎም፥ ክትጽልዩ ኸሎኹም፥ ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና፡ ስምካ ይቀደስ። መንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ ከምቲ ኣብ ሰማይ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን። 3ናይ ዕለት እንጌራና ኣብ ጸጽባሕ ሃበና። 4ንሕና ንዝበደሉና ዅሎም ይቕረ ንብል ኢና እሞ ሓጢያትና ይቕረ በለልና። ካብ ክፉእ ኣድሕነና እምበር፡ ኣብ ፈተና ኣይተእትወና፡ በሉ።
5-6በሎም ድማ፥ መን እዩ ካባኻትኩም ዓርኪ ዘለዎ፡ ፈረቃ ለይቲ ናብኡ ኸይዱ፥ ዓርከይ፡ ፈታዊ ካብ መገዲ መጺኡንስ፡ ዝቕርበሉ ስኢነ እሞ፡ ሰለስተ እንጌራ ኣለቅሓኒ፡ እንተ በሎ፡ 7እቲ ኸኣ ካብ ውሽጢ መሊሱ፡፥ ኣይተድክመኒ፡ ሕጂ ማዕጾ ተሸጕሩ፡ ደቀይ ከኣ ምሳይ ኣብ ዓራት እዮም ዘለዉ፡ ተንሲአ ኽህበካ ኣይዀነለይን፡ ይብሎ። 8ዓርኩ ስለ ዝዀነ ኽህቦ እኳ እንተ ዘይተንስአ፡ ምእንቲ ድቃስ ከይኸልኦ ኢሉ ይትንስእ እሞ ዝደለዮ ይህቦ፡ እብለኩም ኣሎኹ። 9-10ኣነ ኸኣ፡ ዝልምን ዘበለ ይቕበል፡ ዝደሊ ይረክብ፡ ማዕጾ ኳሕኳሕ ንዘበለውን ይኽፈተሉ እዩ እሞ፡ ለምኑ ኽውሃበኩም፡ ድለዩ ኽትረኽቡ ኢኹም፡ ማዕጾውን ኳሕኳሕ ኣብሉ፡ ክኽፈተልኩም እዩ እብለኩም ኣሎኹ 11ካባኻትኩምከ እንታዋይ ኣቦ እዩ፡ ወዱ እንጌራ እንተ ለመኖ፡ እምኒ ዝህቦ፡ ወይስ ዓሳ እንተ ለመኖ፡ ኣብ ክንዲ ዓሳስ ተመን ዝህቦ፡ 12ወይስ እንቋቝሖ እንተ ለመኖ፡ ዕንቅርቢትዶ ይህቦ፧ 13እምብኣርሲ ንስኻትኩም እኳ ኽፉኣት ክነስኹም፡ ንደቕኹም ጽቡቕ ህያብ ምሃብ ካብ ፈለጥኩም፡ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦ ግዳ ንዝልምንዎ ኽንደይ ኣብዚሑ መንፈስ ቅዱስ ዘይህቦም፧
14ንሱ ዓባስ ጋኔን የውጽእ ነበረ። ኰነ ድማ፡ እቲ ጋኔን ምስ ወጸ፡ እቲ ዓባስ ተዛረበ፡ እቶም ህዝቢ ኸኣ ተገረሙ። 15ገሊኦም ግና፥ ነጋንንቲ ብብኤልዘቡል፡ በቲ ሓለቓ ኣጋንንቲ፡ እዩ ዘውጽኦም ዘሎ፡ በሉ። 16ክልኦት ከኣ ክፍትንዎ፡ ካብኡ ትእምርቲ ኻብ ሰማይ ይደልዩ ነበሩ። 17ንሱ ድማ ሓሳቦም ፈሊጡ በሎም፥ ንሓድሕዳ እተፋላለየት ዘበለት መንግስቲ ትጠፍእ፡ ቤት ድማ ንርእሳ እተፋላለይት፡ ትወድቕ እያ። 18ኣነ ነጋንንቲ ብብኤልዘቡል ከም ዘውጽኦም ካብ እትብሉስ፡ ሰይጣን ንርእሱ እንተ ተፈላለየ ደኣ፡ እታ መንግስቱ ኸመይ ኢላ ትቐውም፡ 19ኣነ ነጋንንቲ ብብኤልዘቡል ዘውጽኦም ካብ ኰንኩስ፡ ደቕኹም ደኣ ብመን የውጽእዎም ኣለዉ፧ ስለዚ ንሳቶም ፈራዶኹም ክዀኑ እዮም። 20ኣነ ነጋንንቲ በጻብዕ ኣምላኽ ዘውጽኦም ካብ ኰንኩ ግና፡ መንግስቲ ኣምላኽ ኣባኻትኩም በጽሐት። 21እቲ ሓያል ሰብ፡ ኣጽዋሩ ሒዙ ገዛኡ እንተ ሓለወ፡ ብዘሎ ጥሪቱ ደሓን ይኸውን። 22ካብኡ ዝሕይል መጺኡ እንተ ሰዓሮ ግና፡ ነቲ ዝእመኖ ዝነበረ ኣጽዋሩ ይገፎ፡ ነቲ ዝበዝበዞውን ይማቐሎ። 23ምሳይ ዘይኰነ፡ ንሱ መቓናቕንተይ እዩ። ምሳይ ዘይእክብ ድማ ይዘሩ። 24ርኹስ መንፈስ ካብ ሰብ ምስ ወጸ፡ ዕረፍቲ ደልዩ፡ ናብ ኣጻምእ ቦታ ይኸይድ እሞ እንተ ዘይረኸበ፥ ናብታ ዝወጻእኩላ ቤተይ ደኣ ኽምለስ፡ ይብል። 25ምስ መጸ ድማ፡ ተዀስቲራን ተሰሊማን ትጸንሖ። 26ሽዑ ንሱ ይኸይድ፡ ካብኡ ዝገዱ ካልኦት ሾብዓተ መናፍስቲ ኸኣ ምስኡ ይማላእ፡ ኣትዮም ኣብኣ ይሰፍሩ። ነቲ ሰብ እቲ ኻብ ቀዳማዩስ ዳሕራዩ ይገዶ።
27ኰነ ድማ፡ እዚ ክዛረብ ከሎ፡ ካብቲ እኩብ ህዝቢ ሓንቲ ሰበይቲ ቓላ ዓው ኣቢላ፥ ዝጾረትካ ኸርስን ዝጠቦካየን ኣጥባትን ብጹኣት እየን፡ በለቶ። 28ንሱ ግና፥ ብጹኣንሲ እቶም ንቓል ኣምላኽ ዝሰምዕዎን ዝሕልውዎን ደኣ እዮም፡ በላ።
29እቶም ህዝቢ ምስ ተኣከቡ ድማ፡ ክብል ጀመረ፥ እዚ ወለዶ እዚ ሕሱም እዩ፡ ትእምርቲ ይደሊ፡ ብዘይ ትእምርቲ ነብዪ ዮናስ ድማ ትእምርቲ ኣይውሃቦን። 30ከምቲ ዮናስ ንሰብ ነነዌ ትእምርቲ ዝዀኖም፡ ከምኡ ድማ ወዲ ሰብ ነዚ ወለዶ እዚ ክዀኖ እዩ። 31ንግስቲ ኣዜብ ጥበብ ሰሎሞን ክትሰምዕ ካብ ወሰን ምድሪ መጺኣ እያ እሞ፡ ብፍርዲ ምስ ሰብ እዚ ወለዶ እዚ ተንሲኣ ኽትዅንኖ እያ። እንሆ፡ ካብ ሰሎሞን ዝዓቢ ኣብዚ እሎ። 32ሰብ ነነዌ ብስብከት ዮናስ ተነሲሖም እዮም እሞ፡ ብፍርዲ ምስ እዚ ወለዶ እዚ ተንሲኦም ክዅንንዎም እዮም። እንሆ፡ ካብ ዮናስ ዝዓቢ ኣብዚ ኣሎ።
33ንመብራህቲ ኣብሪሁ፡ እቶም ዝኣትዉ ብርሃን ምእንቲ ኽርእዩ፡ ኣብ ቀዋሚ ቐዴል እምበር፡ ኣብ ከውሊ ወይ ኣብ ትሕቲ ኸፈር ዘንብሮ የልቦን። 34ናይ ስጋ መብራህቲ ዓይኒ እያ። ዓይንኻ ጥዕይቲ እንተ ዀነት ኵሉ ስጋኻ ብሩህ ይኸውን። ሕምምቲ እንተ ኰነት ግና፡ ስጋኻ ድማ ጸልማት ይኸውን። 35እምብኣርከ እቲ ኣባኻ ዘሎ ብርሃንሲ ጸልማት ከይኸውን ተጠንቀቕ። 36ኵሉ ስጋኻ ገለ ቕሩብ ጸልማት ዘይብሉ ብሩህ እንተ ዀነ፡ ከምቲ መብራህቲ ብድሙቕ ብርሃኑ ዘብርሃልካ፡ ኵሉ ስጋኻ ብሩህ ክኸውን እዩ።
37ክዛረብ ከሎ፡ ሓደ ፈሪሳዊ ምስኡ ኽምሳሕ ጸውዖ። ኣትዩ ኸኣ ኣብ መኣዲ ተቐመጠ። 38እቲ ፈሪሳዊ ቅድሚ ምሳሕ ኢዱ ዘይምሕጻቡ ምስ ረኣየ፡ ተገረመ። 39ጐይታ ኸኣ በሎ፥ ሕጂ ንስኻትኩም ፈሪሳውያን፡ ዝባን ዋንጫ መሬትን ጻሕልን ተጽርዩ፡ ከብድኹም ግና ከትርን ክፍኣትን ምሉእ እዩ። 40ኣቱም ዓያሱ፡ እቲ ናይ ዝባን ዝገበረ ነቲ ናይ ውሽጡስ ኣይገበረንዶ፧ 41ግናኸ እቲ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ንምጽዋት ሃቡ፡ እንሆ፡ ሽዑ ዅሉ ጽሩይ ይዀነልኩም።
42ኣቱም ፈሪሳውያን፡ ካብ ሽላንን ጨና ኣዳምን ኵሉ ኣሕምልትን ዕሽር እተውጽኡ፡ ፍትሕን ፍቕሪ ኣምላኽን ግና ሸለል እትብሉ ኢኹም እሞ፡ ወይለኹም። እቲ ኸይሓደግኩምሲ እዝውን ክትገብሩ ይግብኣኩም ነይሩ። 43ኣቱም ፈሪሳውያን፡ ኣብ ቤት ጸሎት ኣውራ መቐመጢ፡ ኣብ ዕዳጋውን ምስላም ትፈትዉ ኢኹም እሞ፡ ወይለኹም። 44ኣቱም ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን፡ ከም ዘይርአን፡ ሰብ ከይፈለጦ ብልዕሊኡ ዝረግጾን መቓብር ኢኹም እሞ፡ ወይለኹም።
45ካብቶም ፈለጥቲ ሕጊ ሓደ መሊሱ፥ መምህር፡ እዚ ብምባልካስ ንኣናውን ትጸርፈና ኣሎኻ፡ በሎ። 46ነሱ ኸኣ በለ፥ ንስኻትኩም ፈለጥቲ ሕጊ ድማ፡ ንሰብ ከቢድ ጾር ተሰክምዎ፡ ባዕላትኩም ግና ነቲ ጾር ብሓንቲ ኣጻብዕኩም እኳ ኣይትትንክይዎን ኢኹም እሞ፡ ወይለኹም። 47ንስኻትኩምውን መቓብር ነብያት ትሰርሑ ኣሎኹም፡ ኣቦታትኩምውን ቀቲሎምዎም እዮም እሞ፡ ወይለኹም። 48ንሳቶም ቀቲሎምዎም እዮም፡ ንስካትኩም ድማ መቓብሮም ትሰርሑ ኣሎኹም እሞ፡ ከምኡ ነዚ ንስካትኩም ምስክር ኢኹም፡ ነቲ ግብሪ ኣቦታትኩምውን ትሰምርዎ ኣሎኹም። 49ስለዚ ድማ ጥበብ ኣምላኽ በለት፥ ነብያትን ሃዋርያትን ናባታቶም እልእኽ ኣሎኹ፡ ንሓያል ካባታቶም ከኣ ይቐትሉን ይሰጕዎምን ኣለዉ። 50-51ካብ ደም ኣቤል ጀሚሩ ኽሳዕ ደም እቲ ኣብ መንጎ መሰውእን ቤተ መቕደስን ዝቐተልዎ ዘካርያስ፡ እቲ ካብ ምስራት ዓለም ጀሚሩ ዝፈሰሰ ደም ኵሎም ነብያት ካብዚ ወለዶ እዚ ክድለ እዩ። እወ፡ ካብዚ ወለዶ እዚ ክድለ እዩ፡ እብለኹም ኣሎኹ። 52ኣቱም ፈለጥቲ ሕጊ፡ መርሖ ፍልጠት ወሲድኩምሲ፡ ንስኻትኩም ኣይኣቶኹምን፡ ነቶም ክኣትዉ ዝደለዩ ድማ ከልኪልኩምዎም ኢኹም እሞ፡ ወይለኹም።
53እዚ ምስ ተዛረበ፡ እቶም ጻሓፍትን ፈሪሳውያንን ብጽኑዕ ክቕየምዎ ጀመሩ። 54ምእንቲ ክኸስዎ ኸኣ፡ ካብ ኣፉ ገለ ዘረባ ቘጠፋ ደልዮም እናተጻናተዉ ብብዙሕ ዘረባ ይሓትዎ ነበሩ።
   ወን.ሉቃስ ምዕራፍ 12
   1ኣእላፋት ህዝቢ፡ ንሓድሕዶም ክሳዕ ዝራገጹ፡ ምስ ተኣከቡ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ኽብሎም ጀመረ፥ ቅድሚ ዅሉ ኻብ ማይ ብሑቕ ፈሪሳውያን፡ ንሱ ድማ ግብዝና፡ ርእስኹም ሓልዉ። 2ግናኸ ስዉር ዘይቅላዕ፡ ሕቡእውን ዘይፍለጥ የልቦን። 3ስለዚ ኣብ ጸልማት እተዛረብኩምዎ ዘበለ ኣብ ብርሃን ክስማዕ፡ ኣብ ውሻጠ ብሕሽዅሽዅ ኣብ እዝኒ እተዛረብኩምዎም ድማ ኣብ ናሕስታት ክስበኽ ኣዩ። 4ንኣኻትኩም ነዕሩኸይ እብለኩም ኣሎኹ፥ ስጋ ንዝቐትሉ፡ ድሕርቲ ኻብኡ ንንየው ዝገብርዎ ብዘይብሎም ኣይትፍርህዎም። 5ንመን ከም እትፈርሁ ግና ከርእየኩም፥ ነቲ ምስ ቀተለስ፡ ኣብ ገሃነም ክድርቢ ስልጣን ዘለዎ፡ ንእኡ ፍርሁ። እወ፡ ንእኡ ፍርህዎ፡ እብለኩም ኣሎኹ። 6ሓሙሽተ ዑፍዶ ንኽልተ ኣሳርዮን ይሽየጣ ኣይኰናን፧ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ካባታተን ሓንቲ እኳ ኣይትርሳዕን እያ። 7ንስኻትኩምሲ ዅለን ጸጉሪ ርእስኹም እኳ ቝጽራት እየን። እምብኣርከ ኻብ ብዙሓት ኣዕዋፍ ትበልጹ ኢኹም እሞ ኣይትፍርሁ። 8ኣብ ቅድሚ ሰብ ንዝእመነኒ ዅሉ፡ ወዲ ሰብ ድማ ኣብ ቅድሚ መላእኽቲ ኣምላኽ ክእመኖ እዩ። 9እቲ ኣብ ቅድሚ ሰብ ዝክሕደኒ ግና ኣብ ቅድሚ መላእኽቲ ኣምላኽ ክከሓድ እዩ፡ እብለኩም ኣሎኹ። 10ኣብ ወዲ ሰብ ዘረባ ዝበለ ዅሉ ይሕደገሉ፡ ነቲ ንመንፈስ ቅዱስ ዝጸርፍ ግና፡ ኣብዚኣ ዀነ ወይስ ኣብታ እትመጽእ ዓለም፡ ኣይሕደገሉን እዩ። 11-12ናብ ኣባይቲ ጸሎት ናብ መኳንንትን ገዛእትን እንተ ወሰዱኹም፡ በታ ሰዓት እቲኣ እንታይ ምዝራብ ከም ዝግባእ፡ መንፈስ ቅዱስ ክምህረኩም እዩ እሞ፡ ከመይ ወይስ እንታይ ከም እትመልሱ ወይ እንታይ ከም እትብሉ ኣይትጨነቑ።
13ሓደ ኻብቶም ህዝቢ ድማ፥ መምህር፡ ንሓወይ ርስተይ ክመቕለኒ በለለይ፡ በሎ። 14ንሱ ኸኣ፥ ኣታ ሰብኣይ፡ ኣባኻትኩምከ ዳኛን መማቐልን ገይሩ መን ሸይመኒ፧ በሎ። 15ንሱ ኸኣ፥ ህይወት ሰብ ብብዝሒ ገንዘብ ኣይኰነትን እሞ፡ ተጠንቀቑ፡ ካብ ኵሉ ስስዐ ኸኣ ርእስኹም ሓልዉ፡ በሎም። 16ከምዚ ኢሉ ኸኣ ምስላ ነገሮም፥ ሓደ ሃብታም ሰብኣይ ግርሁኡ ቐደወሉ። 17ብልቡ ኸኣ፥ እኽለይ ዝእክበላ ስፍራ የብለይን፡ እንታይ ደኣ እገብር እየ ኢሉ ሓሰበ። 18ንሱ ድማ፥ ከምዚ እገብር፥ ንማዕከነይ ኣፍሪሰ፡ ኣግፊሐ እሰርሖ፡ ኣብኡ ኸኣ ኵሉ እኽለይን ሃብተይን እእክብ። 19ንነፍሰይውን፥ ኣቲ ነፍሰይ፡ ብዙሕ እተደለበ ሃብቲ ንብዙሕ ዓመታት ዝኣኽለኪ ኣሎኪ እሞ ዕረፊ፡ ብልዒ፡ ስተዪ፡ ተሓጐሲ፡ እብላ፡ በለ። 20ኣምላኽ ግና፥ ኣታ ዓሻ፡ ንነፍስኻ ካባኻ ኽወስድዋ በዛ ለይቲ እዚኣ ይደልይዋ ኣለዉ። እዚ ዝደለብካዮ ደኣ ንመን ክኸውን እዩ፧ በሎ። 21እቲ ንርእሱ መዝገብ ዝእክብ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሃብታም ዘይኰነ ከምኡ እዩ።
22-23ንደቀ መዛሙርቱ ድማ በሎም፥ ካብ ምግቢ ህይወት ትዓቢ፡ ካብ ክዳንውን ስጋ ይዓቢ እዩ እሞ፡ ስለዚ ንህይወትኩም ብትበልዕዎ ወይስ ንስጋኹም ብትኽደንዎ ኣይትጨነቑ፡ ኣብለኩም ኣሎኹ። 24ናብ ኳዃትማ ኣስተብህሉ፥ ኣምላኽ ይቕልቦም እምበር፡ ኣይዘርኡ ኣይዓጽዱ፡ ማዕከን ወይ ቆፎ የብሎምን። ካብ ኣዕዋፍሲ ንስኻትኩም ግዳ ኽንደይ ኣዚኹም ዘይትበልጹ። 25ካባኻትኩምከ ተጨኒቑ ኣብታ ቝመቱ ሓንቲ እመት ምውሳኽ ዝኽእል መን ኣሎ፧ 26እዚ ቐሊል ነገር ምግባር ካብ ዘይትኽእሉስ፡ ንምይታይ ደኣ ብካልእ እትጭነቑ፧ 27ዕምባባታት ከመይ ኢሎም ከም ዝዓብዩ ኣስተብህሉ፥ ኣይጽዕሩን ኣይፈትሉን እዮም። ሰሎሞን እኳ በቲ ዅሉ ኽብረቱ ኸም ሓደ ካባታቶም ኣይተኸድነን፡ እብለኩም ኣሎኹ። 28ኣምላኽ ነዚ ሎሚ ዘሎ፡ ጽባሕ ግና ናብ እቶን ዝድርበ ሳዕሪ በረኻ ከምዚ ገይሩ ዝኸድኖ ኻብ ኰነስ፡ ኣቱም ጕድላት እምነት፡ ንኣኻትኩም ግዳ ከመይ ኣብዚሑ ዘይከድነኩም፧ 29ንስካትኩም ከኣ እትበልዕዎን እትሰትይዎን ኣይትድለዩን ኣይትጨነቑን። 30ነዚ ዅሉስ ኣህዛብ ዓለም ይደልይዎ እዮም እሞ፡ እዚ ኸም ዘድልየኩምሲ፡ ኣቦኹም ይፈልጥ እዩ። 31መንግስቲ ኣምላኽ ደኣ ድለዩ፡ እዚ ዅሉ ድማ ክውሰኸልኩም እዩ። 32ኣታ ሒደት መጓሰ፡ እታ መንግስቲ ኽህበኩም ፍቓድ ኣቦኹም እዩ እሞ፡ ኣይትፍራህ። 33-34ኣብቲ መዝገብኩም ዘለዎ ኣብኡ ድማ ልብኹም ይኸውን እዩ እሞ፡ ጥሪትኩም ሽጡ ምጽዋትውን ሃቡ፡ ሰራቒ ኣብ ዘይቀርቦ፡ ነቐዝ ኣብ ዘየጥፍኦ ዘይበሊ ማሕፉዳን ዘይጐድል መዝገብን ኣብ ሰማይ ዕቘሩ።
35ሓቛቝኹም ዕጡቕ፡ መባርህትኹም ብሩህ ይኹን። 36ንስኻትኩም፡ ጐይታኦም ካብ መርዓ ኽሳዕ ዝምለስ ዝጽበዩ እሞ፡ መጺኡ ዃሕኳሕ ምስ ኣበለ፡ ብኡብኡ ዝኸፍቱሉ ሰባት ምሰሉ። 37እቶም፡ ጐይታኦም ክመጽእ ከሎ፡ ነቒሖም ዝረኽቦም ባሮት እቲኦም ብጹኣን እዮም። ተዓጢቑ ኣብ መኣዲ ኸም ዘቐምጦም፡ ቀሪቡውን ከም ዘገልግሎም፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 38ኣብ ካልኣይቲ ወይስ ሳልሰይቲ ሕልዋ ለይቲ መጺኡ ኸምዚ እንተ ረኸቦም፡ እቶም ባሮት እቲኦም ብጹኣን እዮም። 39ግናኸ እዚ ፍለጡ፡ ብዓል ቤት፡ ነታ ሰራቒ ዝመጸላ ግዜ እንተ ዝፈልጣ፡ ምነቕሐ፡ ቤቱ ኽትኰዓት ከላውን ስቕ ኣይምበለን ነይሩ። 40ንስኻትኩም ድማ፡ ወዲ ሰብ ብዘይሓሰብኩምዋ ግዜ ኽመጽእ እዪ እሞ፡ እተዳሎኹም ኩኑ።
41ጴጥሮስ ከኣ፥ ጐይታይ፡ እዚ ምስላዝስ ንኣና ዲኻ እትምስሎ ዘሎኻ ወይስ ንዅሉ ኢኻ፧ በሎ። 42ጐይታ ኸኣ በለ፥ እቲ እሙንን ኣስተውዓልን መጋቢ፡ ቀለቦም በብግዜኡ ክህቦም፡ ጐይታኡ ኣብ ስድራ ቤቱ ዝሸሞስ መን እዩ፡ 43እቲ ጐይታኡ ኽመጽእ ከሎ፡ ከምዚ እናገበረ ዝጸንሖ ባርያ ብጹእ እዩ። 44ኣብ ብዘሎ ጥሪቱ ኸም ዝሸሞ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 45እቲ ባርያ ብልቡ፡ ምእታው ጐይታይ ይድንጕ እዩ፡ እንተ በለ ግና፡ ምግራፍ እቶም ገላውን ኣግራድን ምብላዕን ምስታይን ምስካርን ይጅምር፡ 46ጐይታ እቲ ባርያ እቲ፡ ንሱ ብዘይተጸበያ መዓልቲ፡ ብዘይፈለጣ ሰዓት ክመጽእ፡ ቈራሪጹ ኸኣ ግዲኡ ምስቶም ዘይኣምኑ ኽገብሮ እዩ። 47እቲ ፍቓድ ጐይታኡ ፈሊጡ ዘይተዳለወ፡ ከምታ ፍቓዱውን ዘይገበረ ባርያ ብዙሕ መግረፍቲ ዝግብኦ እዩ። 48እቲ ኸይፈለጠ ንመግረፍቲ ዝግብኦ ዝገበረ ግና ሒደት እዩ ዝግረፍ። ብዙሕ ንዝሃብዎ ብዙሕ ይደልይዎ፡ ብዙሕ ንዘማዕቈብዎ ኸኣ ኣብዚሖም ይደልይዎ እዮም።
49ናብ ምድሪ ሓዊ ኽድርቢ እየ ዝመጻእኩ፡ ሕጅስ ብጀካ ምንዳዱ እንታይ እደሊ ኣሊኹ፧ 50ዝጥመቓ ጥምቀት ግና ኣላትኒ፡ ክሳዕ እትፍጸምሲ ኸመይከ ዘይትጸበኒ። 51ናብ ምድሪዶ ሰላም ከምጽእ ዝመጻእኩ ይመስለኩም ኣሎ፧ ምፍልላይ ደኣ እምበር፡ ኣይኰነን፡ እብለኩም ኣሎኹ። 52ካብ ሕጂ ሓሙሽተ ኣብ ሓንቲ ቤት እንተ ዀኑ፡ ሰለስተ ኻብ ክልተ፡ ክልተ ድማ ካብ ሰለሰተ ክፋላለዩ እዮም። 53ኣቦ ኻብ ወዱ፡ ወዲውን ካብ ኣቦኡ፡ ኣደ ኻብ ጓላ፡ ጓላውን ካብ ኣዲኣ፡ ሓማት ካብ መርዓት ወዳ፡ መርዓት ወዲውን ካብ ሓማታ ኽፋላለዩ እዮም።
54ነቶም ህዝቢ ድማ በሎም፡ ደበና ኻብ ምዕራብ ክዳባኖ ኸሎ ምስ ርኤኹም፡ ሽዑ፥ ዝናብ ክዘንም እዩ፡ ትብሉ ኢኹም፡ ከምኡ ኸኣ ይኸውን። 55ንፋስ ደቡብ ክነፍስ ምስ ርኤኹምውን፥ ሃሩር ክኸውን እዩ፡ ትብሉ፡ ከምኡ ድማ ይኸውን። 56ኣቱም ግቡዛት፡ ምምርማር ገጽ ሰማይን ምድርን ትፈልጡ፡ ከመይ ደኣ ነዚ ዘመን እዝስ ዘይትምርምርዎ፧ 57ስለምንታይከ ባዕላትኩም ሓቂ ዘይትፈርዱ፧ 58ምስ መባእስትኻ ናብ ሹም እንተ ኸድኻ፡ ኣብ ፈራዲ ኸየብጽሓካ፡ እቲ ፈራዲ ኸኣ ንግልያኡ ኣሕሊፉ ኸይህበካ፡ እቲ ግልያኡውን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኸይድርብየካስ፡ ኣብ መገዲ ኸሎኻ ምስኡ ንምትዕራቕ ተጋደል። 59እንተ ዘይኰነስ፡ እታ መወዳእታ ለብጦን ክሳዕ እትፈዲ፡ ካብኡ ኣይክትወጽእን ኢኻ፡ እብለካ ኣሎኹ።
   ወን.ሉቃስ ምዕራፍ 13
   1በቲ ወርሓት እቲ፡ ሓያሎ ሰባት መጺኦም ብዛዕባ እቶም ጲላጦስ ደሞም ምስ መስዋእቶም ዝጸንበሮም ገሊላውያን ነገርዎ። 2የሱስ መሊሱ በሎም፥ ነዞም ገሊላውያን እዚኣቶም እዚ ስለ ዝረኸቦምሲ፡ ካብ ኵሎም ገሊላውያን ሓጥኣን ዝነበሩዶ ይመስለኩም ኣሎ፧ 3ኣይፋሎም፡ እንተ ዘይተነሳሕኩምሲ፡ ኵላትኩም ድማ ከምኡ ኽትጠፍኡ ኢኹም፡ እብለኩም ኣሎኹ። 4ወይስ እቶም ኣብ ሰሊሆም ግምቢ ዝወደቖም እሞ ዝቐተሎም ዓሰርተ ሾሞንተኸ ኻብቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነብሩ ዅሎም ሰብ ዝበዝሕ ሓጥኣት ዝነበሮምዶ ይመስለኩም፧ 5ኣይፋሎም፡ እንተ ዘይተነሳሕኩምሲ፡ ኵላትኩም ከምኡ ኽትጠፍኡ ኢኹም፡ እብለኩም ኣሎኹ።
   6እዚ ምስላዚ ከኣ በለ፥ ሓደ ሰብኣይ ኣብ ኣታኽልቲ ወይኑ እተተኽለት በለስ ነበረቶ። ፍረ ደልዩ ናብኣ መጸ፡ ግናኸ ኣይረኸበላን። 7ነቲ ሓላው ኣታኽልቲ ወይኒ ኸኣ፥ እንሆ፡ ካብዛ በለስ እዚኣ ፍረ እናደሌኹ ሰለስተ ዓመት መጺኤ፡ ኣይረኽብኩላን። ቍረጻ፡ ስለምንታይከ ንምድሪ ተባላሹ ኣላ፧ በሎ። 8ንሱ ግና፥ ጐይታይ፡ ወሰነ ወሰና ኽሳዕ ዝዅስኵሳ፡ ድዅዒ ኽሳዕ ዝድኵዓ፡ እዛ ዓመት እዚኣ ድማ ሕደጋ። 9ንዓመታ እንተ ፈረየት፡ ጽቡቕ፡ እንተ ዘይኰነስ፡ ሽዑ ትቘርጻ፡ ኢሉ መለሰሉ።
   10ብሰንበት ኣብ ሓንቲ ቤት ጸሎት ኰይኑ ይምህር ነበረ። 11እንሆ፡ ኣብኣ ኻብ ዓሰርተው ሾሞንተ ዓመት ሒዙ መንፈስ ድኻም ዝሓደራ ሰበይቲ ነበረት። ንሳ ኸኣ ጐቢጣ ነበረት፡ ክትቀንዕውን ከቶ ኣይተኻእላን። 12የሱስ ምስ ረኣያ፡ ጸዊዑ፥ ኣቲ ሰበይቲ፡ ካብ ሕማምኪ ተፈቲሕኪ ኣሎኺ፡ በላ። 13ኢዱ ኣንበረላ፡ ብኡብኡ ቐንዐት፡ ንኣምላኽውን ኣመስገነቶ። 14እቲ መራሕ ቤት ጸሎት ከኣ፡ የሱስ ብሰንበት ስለ ዘሕወየ ዀርዩ፡ ነቶም ህዝቢ፡ ክዕየየን ዝግባእ ሹዱሽተ መዓልቲ ኣለዋኹም። እምበኣርከ ብኣታተን መጺእኩም ተፈወሱ እምበር፡ ብመዓልቲ ሰንበትሲ ኣይኰነን፡ ኢሉ መለሰሎም። 15ጐይታ ግና፥ ኣታ ግቡዝ፡ ካባካትኩምከ ዅሉ ሰብዶ ንብዕራዩ ወይስ ኣድጉ ብሰንበት ካብ ማእሰሩ ኣይፈትሖን እዩ፧ ከስትዮስ የውርዶ ደይኰነን፧ 16እንሆ፡ እዛ ኻብ ዓሰርተው ሾሞንተ ዓመት ሒዙ ሰይጣን ዝኣሰራ ጓል ኣብርሃምከ ካብዚ ማእሰርቲ እዚ ብመዓልቲ ሰንበት ክትፍታሕዶ ኣይግባእን እዩ፧ ኢሉ መለሰሉ። 17እዚ ምስ በለ፡ እቶም እተበኣስዎ ዅሎም ሓፈሩ። በቲ ብእኡ እተገብረ ዅሉ መስተንክር ዝዀነ ግብርታት ከኣ ብዘሎ እቲ ህዝቢ ተሓጐሰ።
   18ድሕርዚ በለ፥ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ትመስል፧ ብምንታይሲ ኽምስላ እየ፧ 19ሰብ ወሲዱ ኣብ ስፍራ ኣታኽልቱ ዝዘርኣ ፍረ ኣድሪ እያ እትመስል። በቘለት ዓባይ ኦምውን ኰነት፡ ኣዕዋፍ ሰማይ ከኣ ኣብ ጨናፍራ ቤተን ሰርሓ። 20ከም ብሓድሽ ድማ፥ ንመግስቲ ኣምላኽ ብምንታይ ክምስላ እየ፧ 21ሰበይቲ ወሲዳ፡ ኵሉ ኽሳዕ ዝበኵዕ፡ ኣብ ሰለስተ ሳቶን ሓርጭ ዝለወሰቶ ማይ ብሑቝ እያ እትመስል፡ በለ።
   22ኣብ ከተማታት ኣብ ዓድታትን እናመሃረ ይመለለስ ነበረ። መገዲ ኸኣ ንየሩሳሌም ገጹ ኣቕነዑ ነበረ። 23ሓደ ሰብኣይ ከኣ፥ ጐይታይ፡ ሒደት ድዮም ዝድሕኑ፡ በሎ። 24ንሱ ኸኣ በሎም፥ ብዙሓት ክኣትዉ እናደለዩስ ከም ዘይኰነሎም፡ እብለኩም ኣሎኹ እሞ፡ በታ ጸባብ ደገ ንምእታው ተጋደሉ። 25ብዓል ቤት ተንሲኡ ማዕጾኡ ምስ ሸጐረ፡ ሽዑ ኣብ ወጻኢ ደው ምባል ክትጅምሩ፥ ጐይታይ፡ ጐይታይ፡ ክፈተልና፡ እናበልኩም ማዕጾ ዃሕኳሕ ከተብሉ ኢኹም። ንሱ ኸኣ፥ ካበይ ምዃንኩም ኣይፈልጠኩምን እየ፡ ኢሉ ኽመልሰሎኩም እዩ። 26ሽዑ፥ ኣብ ቅድሜኻ በሊዕናን ሰቲናን፡ ንስኻውን ኣብ ገዛና ምሂርካ፡ ምባል ክትጅምሩ ኢኹም። 27ንሱ ኸኣ፥ ኣቱም ገበርቲ ዓመጻ ዅላትኩም፡ ካበይ ምዃንኩም ኣይፈልጠኩምን እየ፡ ካባይ ርሓቑ፡ እብለኩም ኣሎኹ፡ ክብል እዩ። 28ንኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን ንዅሎም ነብያትን ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ምስ ርኤኹምዎም፡ ንስካትኩም ግና ኣብ ወጻኢ ተደርቢኹም፡ ኣብኡ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ክኸውን እዩ። 29ካብ ምብራቕን ምዕራብን ካብ ሰሜንን ደቡብን ድማ ኽመጹ፡ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽውን ኣብ መኣዲ ክቕመጡ እዮም። 30እንሆ ድማ፡ ቀዳሞት ዝዀኑ ዳሕሮት ኣለዉ፡ ዳሕሮት ዝኾኑ ቐዳሞትውን ኣለዉ።
   31በታ ግዜ እቲኣ ሓያሎ ኻብ ፈሪሳውያን፡ ሄሮድስ ክቐትለካ ይደሊ ኣሎ እሞ፡ ውጻእ፡ ካብዚ ኣግልስ፡ ኢሎም ናብኡ መጹ። 32ንሱ ኸኣ በሎም፥ ኬድኩም ነዛ ወኻርያ፥ እንሆ፡ ሎምን ጽባሕን ኣጋንንቲ ኤውጽእ ኤሕዊ፡ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኸኣ እውድእ ኣሎኹ። 33ነብዪ ግና ብዘይ ኣብ የሩሳሌም ኣይቕተልን እዩ እሞ፡ ሎምን ጽባሕን ድሕሪ ጽባሕን ክመላለስ ይግባኣኒ እዩ፡ በሎም። 34የሩሳሌም፡ የሩሳሌም፡ ንነብያት እትቐትሊ፡ ናባኺ ንተላእኩውን ብእምኒ እትጭፍልቒ፡ ከምቲ ደርሆ ንጨጨውታ ኣብ ትሕቲ ኣኽናፋ እትእክቦም፡ ክንደይ ሳዕከ ንደቅኺ ኽእክቦም ዘይደሌኹ እሞ ኣቤኹም። 35እንሆ፡ ቤትኩም ክትዖኑ እያ። ብስም እግዚኣብሄር ዝመጽእ ብሩኽ እዩ፡ እትብሉሉ ዘመን ክሳዕ ዝመጽእውን፡ ኣይክትርእዩንን ኢኹም፡ እብለኩም ኣሎኹ።
   ወን.ሉቃስ ምዕራፍ 14
   1ኰነ ድማ፡ ብሰንበት ኣብ ቤት ሓደ ኻብ ሓለቑ ፈሪሳውያን እንጌራ ክበልዕ ምስ ኣተወ፡ ንሳቶም ይጸናጸንዎ ነበሩ። 2እንሆ፡ ከብዱ እተነፍሐ ሰብኣይ ኣብ ቅድሚኡ ነበረ። 3የሱስ ንፈለጥቲ ሕግን ፈሪሳውያንን፥ ብሰንበት ምፍዋስሲ ግቡእ ድዩ ወይስ ኣይፋሉን፧ ኢሉ ተዛረቦም። 4ንሳቶም ከኣ ኣጽቀጡ። ንሱ ድማ ወሲዱ ኣሕወዮን ሰደዶን። 5መሊሱ ድማ በሎም፥ ካባኻትኩምከ ወዱ ወይ ብዕራዩ ናብ ዔላ እንተ ወደቖ፡ ብኡብኡ ብመዓልቲ ሰንበት ዘየጽኦ መን ኣሎ፧ 6ነዚ ነገርዚ ኸኣ ምላሽ ሰኣኑሉ።
   7ነቶም ናብ ምሳሕ እተጸውዑ ድማ ኣውራ መቐመጢ ኸም ዝሓርዩ ምስ ረኣየ፡ ምስላ መሰለሎም፡ ከምዚ ኢሉ፥ 8ሓደ ናብ መርዓ እንተ ዓደመካ፡ ኣብቲ ኣውራ መቐመጢ ኣይትቀመጥ። ካባኻ ዝኸብር ካልእ ጸዊዑ እንተ ዀነ፡ 9እቲ ንእኡን ንኣኻን ዝጸውዐ መጺኡ፥ እዛ ስፍራ እዚእ ነዚ ሕደገሉ፡ ክብለካ እዩ እሞ፡ ሽዑ እናሓፈርካ ናብ ታሕታይ መቐመጢ ኽትወርድ ትጅምር። 10-11ርእሱ ዘዕቢ ዅሉ ኽዋረድ፡ እቲ ርእሱ ዘዋርድ ከኣ ክኸብር እዩ እሞ እንተ ተዓደምካ፡ እቲ ዝዓደመካ መጺኡ፡ ዓርከይ፡ ናብ ላዕላይ ደይብ፡ ምእንቲ ኽብለካስ፡ ኬድካ ኣብ ታሕታይ ስፍራ ተቐመጥ። ሽዑ ኣብ ቅድሚ እቶም ምሳኻ ዝምስሑ ዅሎም መቓምጥኻ ኽብረት ክዀነልካ እዩ።
   12ነቲ ዝጸውዖ ሰብኣይ ድማ፥ ምሳሕ ወይስ ድራር እንተ ገበርካ፡ ንሳቶም ድማ ምናልባሽ መሊሶም ከይጽውዑኻ እሞ፡ ምፍዳይ ለቕሓ ኸይኰነካስ፡ ኣዕሩኽካ ዀነ ወይ ኣሕዋትካ፡ ወይ ኣዝማድካ፡ ወይ ሃብታማት ጐረባብትኻ ኣይትጸውዕ። 13ምሳሕ እንተ ገበርካስ፡ ድኻታትን ቈራያትን ሓንካሳትን ዕዉራትን ደኣ ጸውዕ። 14ዝፈድዩኻ የብሎምን እሞ ብጹእ ክትከውን፡ ብትንሳኤ ጻድቃንውን ክትፍደ ኢኻ፡ በሎ።
   15ካብቶም ምስኡ ኣብ መኣዲ እተቐመጡ ሓደ እዚ ምስ ሰምዐ፥ እቲ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ እንጌራ ዝበልዕ ብጹእ እዩ፡ በሎ። 16ንሱ ኸኣ በሎ፥ ሓደ ሰብኣይ ዓብዪ ድራር ገበረ፡ ንብዙሓት ዓደመ። 17ኣብቲ ግዜ ድራር ድማ ነቶም ዕዱማት፡ ኵሉ ተዳልዩ ኣሎ እሞ፡ ንዑ ክብሎም ባርያኡ ለኣኸ። 18ኵሎም ከኣ ሓቢሮም ከማኻንዩ ጀመሩ። እቲ ቐዳማይ፥ ግራት ዓዲገ ኣሎኹ፡ ናብኣ ወፊረ ኽርእያ ብግዲ ዘድልየኒ ዀይኑስ፡ ከተማኻንየለይ እልምነካ ኣሎኹ፡ በሎ። 19እቲ ኻልኣይ ድማ፥ ሓሙሽተ ጽምዲ ብዕራይ ዓዲገ ኣሎኹ፡ ክፍትኖም ክኸይድ እየ፡ ከተማኻንየለይ እልምነካ ኣሎኹ፡ በሎ። 20እቲ ሳልሳይ ከኣ፥ ሰበይቲ ኣእትየ ኣሎኹ፡ ስለዚ ኽመጽእ ኣይኰነለይን እዩ፡ በሎ። 21እቲ ባርያ መጺኡ እዚ ንጐይታኡ ነገሮ። ሽዑ እቲ ብዓል ቤት ኰርዩ ነቲ ባርያኡ፥ ናብ ኣደባባይን ናብ መተሓላለፍ ከተማን ቀልጢፍካ ውጻእ፡ ድኻታትን ቈራያትን ሓንካሳትን ዕዉራትን ናብዚ ኣእቱ፡ በሎ። 22እቲ ባርያ ኸኣ፥ ጐይታይ፡ ከምቲ ዝኣዘዝካዮ ዀይኑ፡ ስፍራ ድማ ገና ኣሎ፡ በሎ። 23እቲ ጐይታ ድማ ነቲ ባርያኡ፡ ናብ መገድን ናብ ገዛታትን ውጻእ እሞ ቤተይ ምእንቲ ኽትመልእሲ፡ ክኣትዉ ተጋደሎም፡ በሎ። 24ካብቶም እተዓደሙ ሰብኡት ሓደ እኳ ንድራረይ ኣይክጥዕሞን እዩ፡ እብለኩም ኣሎኹ።
   25ብዙሓት ሰብ ምስኡ ይኸዱ ነበሩ። ንሱ ኸኣ ግልጽ ኢሉ በሎም፥ 26ናባይ ዝመጽእ እንተሎ እሞ ኣቦኡን ኣዲኡን ሰበይቱን ደቁን ኣሕዋቱን ኣሓቱን፡ ህይወቱውን ከይተረፈት፡ እንተ ዘይጸልኤ፡ ወደ መዝሙረይ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። 27መስቀሉ ዘይጸውር እሞ ደድሕረይ ዘይስዕብ ዘበለ፡ ወደ መዝሙረይ ክኸውን ኣይክእልን። 28-30ካባኻትኩምከ፡ ምስራሕ ግምቢ ዝደሊ እሞ መሰረት ምስ ሰረተ፡ ምውዳኡ እንተ ሰኣነ፡ ዝረኣይዎ ዅሎም፡ እዚ ሰብኣይዚ ምንዳቕ ጀሚሩስ ምውዳኡ ስኢኑ፡ ኢሎም ምእንቲ ኸላግጹሉ ኸይጅምሩ፡ ንመወድኢኡ ዝኣኽሎ ገንዘብ እንተለዎ፡ ቅድም ተቐሚጡ ዘይጽብጽብ፡ እንታዋይ እዩ፧ 31ወይስ ኣየናይ ንጉስ እዩ፡ ምስ ካልእ ንጉስ ክዋጋእ ዝኸይድ እሞ ነቲ ብኽልተ እልፊ ዝመጾስ ብእልፊ ኽገጥመሉ ዝኽእል እንተ ዀይኑ፡ ተቐሚጡ ቕድም ዘይመክር፧ 32እንተ ዘይኰነስ፡ ገና ኻብኡ ርሑቕ ከሎ፡ ልኡኻት ናብኡ ልኢኹ ዕርቂ ይልምኖ። 33ከምኡ ድማ ነፍሲ ወከፍኩም ዘለዎ ዅሉ ዘይቀበጸ፡ ወደ መዝሙረይ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። 34ጨው ጽቡቕ እዩ፡ እቲ ጨው መቐረቱ እንተ ኸደኸ፡ ብምንታይ ይምቅር፧ 35ንወጻኢ ይጕሕፍዎ እምበር፡ ንምድሪ ዀነ፡ ንምድኳዕ ኰነ ኣይጠቅምን እዩ። እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ።
   ወን.ሉቃስ ምዕራፍ 15
   1ኵሎም ተገውትን ሓጥኣንን ክሰምዕዎ ናብኡ ቐረቡ። 2ፈሪሳውያንን ጸሓፍትን ድማ፥ እዝስ ንሓጥኣን ደኣ ይቕበል ምሳታቶምውን ይበልዕ፡ ኢሎም ኣጕረምረሙ። 3እዚ ምስላ እዚ ኸኣ መሰለሎም፡ ከምዚ ኢሉ፥ 4ካናኻትኩምከ ሚእቲ ኣባጊዕ ዘለዋኦ እሞ ካባታተን ሓንቲ እንተ ጠፍኣቶስ፡ ነተን ተስዓን ትሽዓተን ኣብ በረኻ ዘይሓድግ፡ ክሳዕ ዝረኽባውን ነታ ዝጠፍአት ክደሊ ዘይከይድ እንታዋይ ሰብኣይ እዩ፧ 5ምስ ረኸባ ኸኣ፡ እናተሓጐሰ ኣብ መንኵቡ ይሕንግራ። 6ናብ ቤቱ ምስ ተመለሰ ድማ፡ ነዕሩኹን ንጐረባብቱን ብሓደ ጸዊዑ፥ ነታ ዝጠፍኤትኒ በጊኤይ ረኺበያ እሞ፡ ምሳይ ተሓጐሱ፡ ይብሎም። 7ከምኡ ኸኣ ንስሓ ኻብ ዘይደልዩ ተስዓን ትችዓተን ጻድቃንሲ፡ ብሓደ ዝንሳሕ ሓጥእ ኣብ ሰማይ ሓጐስ ክኸውን እዩ፡ እብለኩም ኣሎኹ።
8ወይስ ኣየነይቲ ሰበይቲ እያ፡ ዓሰርተ ድሪም ዘለዋ፡ ሓንቲ ድሪም እንተ ጠፍኣታ፡ መብራህቲ ዘይተብርህ ቤታውን ዘይትዅስትር፡ ክሳዕ እትረኽባ ኸኣ ኣጸቢቓ ዘይትደሊ፧ 9ምስ ረኸበታ ድማ፥ እታ ዝጠፍኣትኒ ድሪመይ ረኺበያ እሞ፡ ምሳይ ተሓጐሳ፡ ኢላ ነዳኖታታን ንጐረባብታን ትጽውዐን። 10ከምኡ ድማ ብሓደ ዝንሳሕ ሓጥእ ኣብ ቅድሚ መላእኽቲ ኣምላኽ ሓጐስ ይኸውን እዩ፡ እብለኩም ኣሎኹ።
11በለ ድማ፥ ንሓደ ሰብኣይ ክልተ ደቂ ነበርዎ። 12እቲ ንእሽቶ ኸኣ ነቦኡ፥ ኣቦይ፡ ካብዚ ጥሪት እቲ ዝበጽሓኒ ግደ ሃበኒ፡ በሎ። ነቲ ገንዘቡ ኸኣ መቐሎም። 13ድሕሪ ሒደት መዓልቲ ኸኣ እቲ ንእሽቶ ወዲ ዘለዎ ዅሉ ኣኪቡ፡ ናብ ካልእ ርሑቕ ሃገር ከደ። ኣብኡ ድማ ነቲ ጥሪቱ ብቕለትን ዕብዳንን ዘረዎ። 14ዘለዎ ዘበለ ምስ ወድአ፡ ኣብታ ሃገር ብርቱዕ ጥሜት ኰነ። ንሱ ኸኣ ክስእን ጀመረ። 15ከይዱ ምስ ሓደ ኻብ ደቂ እታ ሃገር ተዋዓዓለ፡ ንሱ ኸኣ፡ ሓሰማታት ክጓሲ፡ ናብ ምድሩ ሰደዶ። 16ካብቲ ሓሰማታት ዝቕለባኦ ቛርፍ ከብዱ ኽመልእ ከኣ ሃረር ይብል ነበረ፡ ዝህቦ ግና ሓደ እኳ ኣይረኸበን። 17ሽዑ ናብ ልቡ ተመሊሱ በለ፥ እንጌራ ዝተርፎም ግዙኣት ኣቦይ ክንደይ እዮም። ኣነ ግና ኣብዚ ብጥሜት እመውት ኣሎኹ። 18ተንሲአ ደኣ ናብ ኣቦይ ክኸይድ እሞ፥ ኣቦይ፡ ንሰማይን ኣብ ቅድሜኻን ሓጢኣት ገበርኩ። 19ደጊም ወድኻ ኽብሃል ኣይበቅዕን እየ፡ ከም ሓደ ኻብ ግዙኣትካ ግበረኒ፡ ክብሎ። 20ተንሲኡ ናብ ኣቦኡ ኸደ። ኣቦኡ ድማ ገና ርሑቕ ከሎ ረኣዮ እሞ ደንገጸሉ፡ ጐይዩ ኸኣ ብኽሳዱ ሓኒቑ ሰዓሞ። 21እቲ ወዲ ድማ፥ ኣቦይ፡ ንሰማይን ኣብ ቅድሜኻን ሓጢኣት ገበርኩ፡ ደጊምሲ ወድኻ ኽብሃል ኣይበቅዕን እየ፡ በሎ። 22ኣቦኡ ግና ንባሮቱ፥ ብሉጽ ክዳን ኣምጺእኩም ክደንዎ፡ ቀለቤት ኣብ ኣጻብዑ፡ ኣሳእንውን ኣብ ኣእጋሩ ኣእትዉሉ። 23-24እዚ ወደይ ሞይቱ ነይሩ ሓውዩ፡ ጠፊኡ ነይሩውን ተረኺቡ እዩ እሞ፡ ስብሕቲ ላም ኣምጺእኩም ሕረዱ፡ ንብላዕ፡ ንተሓጐስ፡ በሎም። ክሕጐሱ ድማ ጀመሩ።
25እቲ ዓብዪ ወዱ ግና ኣብ ወፍሪ ነበረ። መጺኡ ናብ ጥቓ ቤት ምስ ቀረበ፡ ኰበሮን ጓይላን ሰምዐ። 26ካብቶም ግዙኣት ንሓደ ጸዊዑ፥ እዚ እንታይ እዩ፧ ኢሉ ሓተቶ። 27ንሱ ኸኣ፥ እቲ ሓውካ መጺኡ እሞ ኣቦኻ፡ ብደሓኑ ስለ ዝረኸቦ፡ ስብሕቲ ላም ሓሪድሉ፡ በሎ። 28ንሱ ግና ኰረየ ምእታውውን ኣበየ። ኣቦኡ ኸኣ ወጺኡ ለመኖ። 29ንሱ ግና ነቦኡ፡ እንሆ፡ ክንድዚ ዓመት ተገዛእኩኻ፡ ካብ ትእዛዝካውን ከቶ ኣይሓለፍኩን። ንኣይሲ ምስ ኣዕሩኸይ ዝሕጐሰሉ ማሕስእ እኳ ኣይሃብካንን። 30እዚ ንገንዘብካ ምስ ኣመናዝር ኰይኑ በሊዑ ዝወድአ ወድኻ ምስ መጸ ግና፡ ስብሕቲ ላም ሓረድካሉ፡ ኢሉ መለሰሉ። 31ንሱ ኸኣ፥ ወደይ፡ ንስኻስ ኵሉ ሳዕ ምሳይ ኣሎኻ፡ ናተይ ዘበለ ድማ ናትካ እዩ። 32እዚ ሓውካ ግና ሞይቱ ነይሩ ሓውዩ፡ ጠፊኡ ነይሩውን ተረኺቡ እዩ እሞ፡ ክንሕጐስን ባህ ክብለናን ይግባኣና እዩ፡ በሎ።
   ወን.ሉቃስ ምዕራፍ 16
   1ነቶም ደቀ መዛሙርቱ ድማ በሎም፥ ኣዛዝ ቤት ዝነበሮ ሓደ ሃብታም ሰብኣይ ነበረ። ንእኡ፥ ገንዘብካ ይብትነልካ ኣሎ፡ ኢሎም ኣጣቘስዎ። 2ጸዊዑ ኸኣ፥ እዚ ብዛዕባኻ ዝሰምዖ ዘሎኹ እንታይ እዩ፧ ደጊም ኣዛዝ ቤት ክትኰነኒ ኣይኰነልካን እዩ እሞ፡ ጸብጻብ ምምጋብካ ሃበኒ፡ በሎ። 3እቲ ኣዛዚ ኸኣ ብልቡ፥ ጐይታይ ካብዛ ሽመተይ ክስዕረኒ እዩ፡ ከይባሩ ኣይክእልን፡ ከይልምን ድማ እሓፍር፡ እንታይ ደኣ ኽገብር እየ፧ 4ጐይታይ ካብ ሽመተይ ምስ ሰዓረኒ፡ ኣብ ኣባይቶም ምእንቲ ክቕበሉንስ፡ ዝገብሮ ሕጂ ፈለጥኩ፡ በለ። 5ነቶም ሰብ ዕዳ ጐይታኡ ንነፍሲ ወከፎም ጸዊዑ፡ ነቲ ቐዳማይ፥ ንጐይታይ እትፈድዮ ዕዳ ኽንደይ ኣሎኻ፧ በሎ። 6ንሱ ኸኣ ሚእቲ ባት ዘይቲ፡ በሎ። ሽዑ ንሱ፥ እንካ፡ ጽሕፈት ዕዳኻ ተቐበል፡ ቀልጢፍካ ተቐመጥ እሞ ሓምሳ ኢልካ ጽሓፍ፡ በሎ። 7ድሕሪኡ ድማ ንሓደ ኻልእ፥ ንስካኸ ዕዳኻ ኽንደይ እዩ፧ በሎ። እቲውን፥ ሚእቲ ቆሮስ ስርናይ፡ በሎ። ሽዑ ንሱ፥ እንካ፡ ጽሕፈት ዕዳኻ ተቐበል እሞ ሰማንያ ኢልካ ጽሓፍ፡ በሎ። 8ካብ ደቂ ብርሃንሲ ደቂ እዛ ዓለም እዚኣ ኣብ ወለዶኦም ይባላሓቱ እዮም እሞ፡ ነቲ ዓመጸኛ ኣዛዚ፡ ብልቦና ስለ ዝገበረ፡ ጐይታኡ ነኣዶ። 9ኣነ ኸኣ፥ ምስ ተወድኣኩም ኣብ ናይ ዘለኣለም ኣባይቶም ምእንቲ ክቕበሉኹምሲ፡ ብገንዘብ ዓመጻ ንርእስኹም ኣዕሩኽ ግበሩ፡ እብለኩም ኣሎኹ። 10ብሒደት እሙን ዝዀነ ብብዙሕ ድማ እሙን እዩ፡ እቲ ብሒደት ዝዕምጽ ድማ ብብዙሕውን ዓማጺ እዩ። 11እምብኣርከ ብገንዘብ ዓመጻ እሙናት ካብ ዘይትዀኑ፡ ንጥሪት ሓቂ ሕድሪ ዝህበኩም መን እዩ፧ 12ብናይ እማትኩም እሙናት ካብ ዘይትዀኑስ፡ ናትኩም ዝህበኩም ደኣ መን እዩ፧ 13ሓደ ግዙእ ንኽልተ ጐይተት ክግዛእ ዝኽእል የልቦን። ወይ ነቲ ሓደ ጸሊኡ ነቲ ሓደ ይፈቱ፡ ወይስ ነቲ ሓደ ተኣዚዙ ነቲ ሓደ ይንዕቕ። ንኣምላኽን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይትኽእሉን ኢኹም።
   14እቶም ገንዘብ ዝፈትዉ ዝነበሩ ፈሪሳውያን ከኣ እዚ ዅሉ እናሰምዑ የላግጹሉ ነበሩ። 15በሎም ድማ፥ እቲ ኣብ ቅድሚ ሰብ ዓብዪ መሲሉ ዝርአ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ፍንፉን እዩ እሞ፡ ንስካትኩም ርእስኹም ኣብ ቅድሚ ሰብ ተጽድቑ ኢኹም፡ ንልብኹም ግና ኣምላኽ ይፈልጦ እዩ። 16ሕግን ነብያትን ክሳዕ ዮሃንስ ነበሩ። ካብ ሽዑ ንነጀው መንግስቲ ኣምላኽ ትብሰር ኣላ፡ ኵሎም ድማ ይዳፍኡላ ኣለዉ። 17ካብ ሕጊ ሓንቲ ነቑጣ ኻብ እትወድቕሲ፡ ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ይቐልል። 18ንሰበይቱ ዝፈትሓ ዘበለ ኻልእውን ዘእቱ ይዝሙ፡ ካብ ሰብኣያ ንተፈትሐት ዘእቱውን ይዝሙ።
   19ቀይሕ ክዳንን ክቡር ቦፍታን ዝኽደን፡ ኵሉ መዓልቲ ኸኣ እናኣጋየጸ ዝሕጐስ ሃብታም ሰብኣይ ነበረ። 20ኣልኣዛር ዝስሙ ድኻውን፡ ብቝስሊ ተወሪሱ ኣብ ኣፍ ደጊኡ ወዲቑ ነበረ። 21ካብቲ ኻብ መኣዲ እቲ ሃብታም ዝወድቕ ርፍራፍ ክጸግብ ድማ ሃረር ይብል ነበረ። ኣኽላባት እናመጹ ኸኣ ቍስሉ ይልሕሱ ነበሩ። 22ኰነ ድማ፡ እቲ ድኻ ምስ ሞተ፡ መላእኽቲ ናብ ሕቝፊ ኣብርሃም ወሰድዎ። እቲ ሃብታም ከኣ ሞተ ተቐብረውን። 23ኣብ ሲኦል ኣብ ስቓይ ኰይኑ፡ ዓይኑ ቛሕ ኣቢሉ፡ ንኣብርሃም ኣብ ርሑቕ፡ ንኣልኣዛርውን ኣብ ሕቝፉ ረኣየ። 24ጸዊዑ ኸኣ፥ ዎ ኣቦይ ኣብርሃም፡ በዚ ሃልሃልታዚ እስቀ ኣሎኹ እሞ ምሓረኒ፡ ኣንፊ ኣጻብዑ ኣብ ማይ ጠሚዑ ልሳነይ ከዝሕለለይ፡ ንኣልኣዛር ስደደለይ፡ በሎ። 25ኣብርሃም ግና፥ ወደይ፡ ንስኻስ ብህይወትካ ኸሎኻ ተድላኻ ኸም እተቐበልካ፡ ኣልኣዛር ድማ ከምኡ መከራ ኸም ዝጸገበ፡ ዘክር። ሕጂ ግና ንሱ ኣብዚ ይጸናናዕ፡ ንስኻ ድማ ትስቀ። 26ምስናይ እዚ ዅሉ ድማ፡ እቶም ካብዚ ናባኻትኩም ክሓልፉ ዝደልዩ ምእንቲ ኸይክእሉ፡ ኣብኡ ዘለዉውን ናባና ከይሳገሩስ፡ ኣብ መንጎናን መንጎኹምን ዓብዪ ጋግ ተገይርዎ ኣሎ፡ በሎ። 27-28ሽዑ ንሱ፥ ዎ ኣቦይ፡ እምብኣርሲ ሓሙሽተ ኣሕዋት ኣለዉኒ እሞ፡ ንሳቶምውን ናብዛ ስፍራ ስቃይ እዚኣ ከይመጹ፡ ክምስክረሎም ንኣልኣዛር ናብ ቤት ኣቦይ ክትሰዶ እልምነካ ኣሎኹ፡ በሎ። 29ኣብርሃም ድማ፥ ሙሴን ነብያትን ኣለውዎም፡ ንኣታቶም ይስምዑ፡ በሎ። 30ንሱ ኸኣ፥ ኣይኰነን፡ ኣቦይ ኣብርሃም፡ ካብ ምዉታት ሓደ እንተ ኸዶምሲ፡ ክንስሑ እዮም፡ በሎ። 31ንሱ ድማ፥ ንሙሴን ነብያትን እንተ ዘይሰምዕዎምሲ፡ ካብ ምዉታት ሓደ እንተ ተንስአውን፡ ከቶ ኣይኣምኑን እዮም፡ በሎ።
   ወን.ሉቃስ ምዕራፍ 17
   1ንደቀ መዛሙርቱ በሎም፥ መዓንቀፊ ኸይመጸ ኣይተርፍን እዩ። ነቲ ብሰሩ መዓንቀፊ ዝመጽእ ግና ወይለኡ። 2ካብዞም ናእሽቱ ንሓደ ኻብ ዘስሕትሲ፡ መጥሓን ኣድጊ ኣብ ክሳዱ ተኣሲሩ ናብ ባሕሪ ኽድርበ ምሐሾ ነይሩ። 3ንርእስኹም ተጠንቀቑ። ሓውካ እንተ በደለካ፡ ግንሓዮ፡ እንተ ተጣዕሰ፡ ሕደገሉ። 4ኣብ መዓልቲ ሾብዓተ ሳዕ እንተ በደለካ፡ ተጥዒሰ እናበለ ኸኣ ኣብ መዓልቲ ሾብዓተ ሳዕ ናባኻ እንተ ተመልሰ፡ ሕደገሉ።
5ሃዋርያት ድማ ንጐይታ፥ እምነት ወስኸና፡ በልዎ። 6ጐይታ ኸኣ፥ ክንዲ ፍረ ኣድሪ እትኣክል እምነት እንተ ትህልወኩምሲ፡ ነዚ ሳግላ፡ ተመንቍስካ ኣብ ባሕሪ ተተኸል፡ ምበልኩምዎ እሞ ምተኣዘዘኩም ነይሩ። 7ካባኻትኩምከ ዝሓርስ ወይስ ዝጓሲ ባርያ ዘለዎ እሞ ካብ ወፍሪ ምስ ኣተወ፥ ቀልጢፍካ ሕለፍ፡ ክትድረር ተቐመጥ፡ ዝብሎ መን ኣሎ፧ 8ክድረር ኣዳልወለይ፡ ክሳዕ ዝበልዕን ዝሰትን ከኣ ተዓጢቕካ ኣገልግለኒ፡ ድሕርቲ ንስኻውን ብላዕን ስተን፡ ደይኰነን ዝብሎ፥ 9ወይስ ነቲ ባርያ እቲኸ እቲ እተኣዘዞ ስለ ዝገበረስ ይንእዶዶ፧ ኣይመስለንን። 10ከምኡ ድማ ንስኻትኩም እተኣዘዝኩምዎ ዅሉ ምስ ገበርኩም፥ ንሕና ዘይንጠቅም ባሮት ኢና፡ እቲ ኽንገብሮ ዝግብኣና ኢና ዝገበርና፡ በሉ።
   11ኰነ ድማ፡ ናብ የሩሳሌም ክኸይድ ከሎ፡ ብመንጎ ሰማርያን ገሊላን ሓለፈ። 12-13ናብ ሓንቲ ዓዲ ኽኣቱ ኸሎ፡ ዓሰርተ ለምጻማት ተጓነፍዎ። ኣብ ርሑቕ ደው ኢሎምከኣ ድምጾም ዓው ኣቢሎም፥ ዎ የሱስ መምህር፡ ምሓረና፡ በልዎ። 14ንሱ ርእይዎም፥ ኪዱ፡ ርእስኹም ንኻህናት ኣርእዩ፡ በሎም። ኰነ ኸኣ፡ ክኸዱ ኸለዉ፡ ነጽሁ። 15ካባታቶም ሓደ ኸኣ ከም ዝሓወየ ምስ ረኣየ፡ ድምጹ ዓው ኣቢሉ ንኣምላኽ እናኣመስገነ ተመለሰ። 16እናኣመስገኖ ኸኣ ኣብ እግሩ ብገጹ ተደፍአ። ንሱ ኸኣ ሳምራዊ እዩ። 17የሱስ ግና፥ ዝነጽሁስ ዓሰርተ ደይኰኑን፧ እቶም ትሽዓተ ደኣ ኣበይ ኣለዉ፡ 18ብጀካ እዚ ኻልእ ዝዓሌቱስ ንኣምላኽ ክብሪ ኽህብ እተመልሰዶ የልቦን፡ ኢሉ መለሰ። 19ደሓር ከኣ፥ ተንስእ እሞ ኺድ። እምነትካ ኣሕወየትካ፡ በሎ። 20-21ፈሪሳውያን፥ መንግስቲ ኣምላኽ ምኣዝ ትመጽእ፧ ኢሎም ምስ ሓተትዎ ኸኣ፡ ንሱ፥ መንግስቲ ኣምላኽ እንሃ፡ ኣብ ውሽጥኹም ኣላ እሞ፡ መንግስቲ ኣምላኽሲ ብምትሕልላው ኣይትመጽእን እያ፡ እንሃ ኣብዚ ወይስ ኣብቲ ዝብላውን የልቦን፡ ኢሉ መለሰሎም።
   22ንደቀ መዛሙርቱ ኸኣ በሎም፥ ካብ መዓልትታት ወዲ ሰብ ሓንቲ ኽትርእዩ እትምነዩለን መዓልትታት ከመጻ እየን፡ ኣይክትርእዩን ከኣ ኢኹም። 23-24መብረቕ ካብቲ ሓደ ወሰን ሰማይ ክሳዕ እቲ ኻልእ ወሰን ሰማይ ከም ዝበርቕን ከም ዘብርህን፡ ከምኡ ኸኣ ወዲ ሰብ በታ መዓልቲ ክኸውን እዩ እሞ፥ እንሆ ኣብዚ ወይስ እንሆ ኣብቲ ኣሎ፡ ክብልኹም እዮም፡ ኣይትኺዱ ኣይትስዓብዎምን። 25ቅድም ግና ብዙሕ ሓሳረ መከራ ኽጸግብ፡ በዚ ወለዶ እዝውን ክነዓቕ ብግዲ እዩ። 26ከምቲ ብዘመን ኖህ ዝዀነ፡ ብዘመን ወዲ ሰብውን ከምኡ ክኸውን እዩ። 27ክሳዕ እታ ኖህ ናብ መርከብ ዝኣተወላ መዓልቲ ይበልዑን ይሰትዩን የእትዉን የተኣታትውን ነበሩ። ማይ ኣይሂ ድማ መጸ ንዅሎምውን ኣጥፍኤ። 28ብዘመን ሎጥ ድማ ከምኡ ዀነ፥ ይበልዑን ይሰትዩን ይሸጡን ይሻየጡን ይተኽሉን ይሃንጹን ነበሩ። 29በታ ሎጥ ካብ ሶዶም ዝወጸላ መዓልቲ ድማ ካብ ሰማይ ሓውን ዲንን ወረደ፡ ንዅሉ ኸኣ ኣጥፍኤ። 30በታ ወዲ ሰብ ዝግለጸላ መዓልቲ ድማ ከምኡ ክኸውን እዩ። 31በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ደርቢ ዘሎ፡ ኣቓሑኡ ኸኣ ኣብ ቤት ዘለዎ ኽወስዶ ኢሉ ኣይውረድ። ኣብ ወፍሪ ዘሎውን ንድሕሪት ኣይመለስ። 32ንሰበይቲ ሎጥ ዘክርዋ። 33ንህይወቱ ኸድሕና ዝደሊ ኸጥፍኣ እዩ፡ እቲ ዘጥፍኣ ግና ከድሕና እዩ። 34በታ ለይቲ እቲኣ ኽልተ ኣብ ሓንቲ ዓራት ክድቅሱ እዮም፡ እቲ ሓደ ኽውሰድ፡ እቲ ሓደ ኸኣ ክሕደግ እዩ። 35ክልተ ኣንስቲ ብሓንሳእ ክጥሕና እየን፡ እታ ሓንቲ ኽትውሰድ፡ እታ ኻልኣይቲ ኽትሕደግ እያ። 36ክልተ ኣብ ወፍሪ ኽጸንሑ እዮም፡ እቲ ሓደ ኽውሰድ፡ እቲ ኻልኣይ ክሕደግ እዩ፡ እብለኩም ኣሎኹ። 37መሊሶም ከኣ፥ ጐይታይ፡ ኣበይከ እዩ፧ በልዎ። ንሱውን፥ ኣብቲ ገምቢ ዘልዎ፡ ኣሞራታት ናብኡ ኽእከቡ እዮም፡ በሎም።
   ወን.ሉቃስ ምዕራፍ 18
   1ከይቀበጹ ዅሉ ሳዕ ክጽልዩ ኸም ዝግብኦም ድማ፡ ብምስላ ተዛረቦም፡ ከምዚ ኡሉ፡ 2ኣብ ሓንቲ ኸተማ፡ ንኣምላኽ ዘይፈርህ ንሰብ ድማ ዘይሓፍር ፈራዲ ነበረ። 3ኣብታ ኸተማ እቲኣ ድማ መበለት ነበረት፡ ናብኡ እናመጸት ከኣ፡ ምስ እዚ መባእስተይ ፍትሒ ኣውጽኣለይ፡ ትብሎ ነበረት። 4እናኣበያ ኸኣ ሓያሎ መዓልቲ ኣደንጐያ። ድሕርቲ ግና ብልቡ፥ ኣምላኽ እንተ ዘይፈራህኩ ሰብውን እንተ ዘይሓፈርኩ፡ 5እዛ መበለት እዚኣ ላሕ ኣቢላትኒ እያ እሞ፡ መመሊሳ እናመጸት ከይተሰልክየንስ፡ ፍትሒ ደኣ ኸውጽኣላ፡ በለ። 6ጐይታ በለ፥ እዚ ዓመጸኛ ፈራዲ ዝብሎ ዘሎ ስምዑ። 7ኣምላኽዶ ግዳ ነቶም ለይትን መዓልትን ናብኡ ዝጠርዑ ሕሩያቱ ፍትሒ ኣየውጽኣሎምን እዩ፧ ይጽመሞዶኸ፧ 8ቀልጢፉ ፍትሒ ኸም ዘውጽኣሎም፡ እብለኩም ኣሎኹ። ወዲ ሰብ ምስ ዝመጽእ ግና፡ እንድዒ እምነት ደዀን ኣብ ምድሪ ኽረክብ እዩ፧
   9ንሓያሎ ጻድቃን ምዃኖም ብርእሶም ዝእመኑ ንኻልኦትውን ዝንዕቁ ዝነበሩ ድማ፡ እዚ ምስላዚ በሎም፥ 10ክልተ ሰብኣይ፡ እቲ ሓደ ፈሪሳዊ፡ እቲ ኻልኣይ ከኣ ተጋዊ፡ ክጽልዩ ናብ ቤት መቕደስ ደየቡ። 11-12እቲ ፈሪሳዊ ደው ኢሉ ብልቡ፥ ዎ ኣምላኽ፡ ኣብ ሰሰሙን ክልተ መዓልቲ እጸውም፡ ካብ ኵሉ ገንዘበይ ከኣ ዕሽር ኤውጽእ፡ ከምቶም ካልኦት ሰባት፡ ከተርቲ፡ ዓመጽቲ፡ ዘመውቲ፡ ወይ ከምዚ ተጋዊ እዚ ስለ ዘይኰንኩ፡ ኤምስግነካ ኣሎኹ፡ ኢሉ ጸለየ። 13እቲ ተጋዊ ግና ኣብ ርሑቕ ደው ኢሉ ንኣይ ንሓጥእ ምሓረኒ፡ እናበለ ኣፍ ልቡ ይወቅዕ ነበረ እምበር፡ ዓይኑ ናብ ሰማይ ቋሕ ከብል እኳ ኣይደፈረን። 14ርእሱ ልዕል ዘብል ኵሉ ይዋረድ፡ ርእሱ ዘትሕት ግና ልዕል ይብል እዩ እሞ፡ እዚ ሓለፋ እቲ ጸዲቑ ናብ ቤቱ ኸም ዝወረደ፡ እብለኩም ኣሎኹ።
   15ንሕጻናት ድማ ክትንክዮም ናብኡ ኣምጽእዎም። እቶም ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ እዚ ርእዮም ገንሕዎም። 16የሱስ ግና ጸዊዑ፥ መንግስቲ ኣምላኽ ንኸምዚኦም ዝበሉ እያ እሞ፡ ሕጻናት ናባይ ይምጽኡ ሕደጉ፡ እይትኸልክልዎም። 17ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ህጻን ኰይኑ ዘይተቐበላ ከቶ ኸም ዘይኣትዋ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ በሎም።
   18ሓደ መራሕ ድማ፥ ዎ ሄር መምህር፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽወርስ እንታይ እግበር፡ ኢሉ ሓተቶ። 19የሱስ ከኣ፥ ንምንታይከ ሄር እትብለኒ፡ ብጀካ ሓደ፡ ንሱ ኸኣ ኣምላኽ፡ ሄር የልቦን። 20ነተን፥ ኣይትዘሙ፡ ኣይትቕተል፡ ኣይትስረቕ፡ ብሓሶት ኣይትመስክር፡ ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር፡ ዝብላ ትእዛዛት ትፈልጠን ኢኻ፡ በሎ። 21ንሱ ኸኣ፥ ነዚ ዅሉስ ካብ ንእስነተይ ጀሚረ እሕልዎ ኣሎኹ፡ በለ። 22የሱስ ድማ እዚ ምስ ሰምዐ፥ ገናኸኣ ሓንቲ ተሪፋትካ ኣላ፥ ዘሎካ ዅሉ ሼጥካ ንድኻታት ሃብ፡ ኣብ ሰማይ ከኣ መዝገብ ክጸንሓካ እዩ፡ ንዓውን ስዓበኒ፡ በሎ። 23ንሱ ኸኣ እዚ ምስ ሰምዐ፡ ኣዝዩ ሃብታም ነበረ እሞ፡ ብዙሕ ጐሃየ። 24የሱስ ብዙሕ ምጕሃዩ ርእዩ፥ ሃብቲ ንዘለዎም ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ምእታው ክንደይ ጭንቂ እዩ። 25ሃብታም ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ዝኣቱስ፡ ገመል ብዓይኒ መርፍእ ክትሓልፍ ይቐልል፡ በለ። 26እቶም ዝሰምዑ ኸኣ፥ መን ደኣ ዀን ክድሕን ይኽእል፡ በሉ። 27ንሱ ኸኣ፥ እቲ ንሰብ ዘይከኣሎ፡ ንኣምላኽ ይከኣኣሎ እዩ፡ በሎም። 28ሽዑ ጴጥሮስ፥ እንሆ፡ ንሕና ጥሪትና ዅሉ ሓዲግና ስዒብናካ ኣሎና፡ በሎ። 29-30ንሱ ኸኣ፡ ስለ መንግስቲ ኣምላኽ ኢሉ፡ ቤት ኰነ፡ ወይ ወለዲ፡ ወይ ኣሕዋት፡ ወይ ሰበይቲ፡ ወይ ውሉድ ዝሓደገ፡ ኣብዚ ዘመን እዚ ብዙሕ ካዕበት፡ ኣብታ እትመጽእ ዓለም ከኣ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዘይረክብ የልቦን፡ ኢሉ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፡ በሎም። 29-30የሱስ ከኣ ደው ኢሉ ናብኡ ኸምጽእዎ ኣዘዘ። ናብኡ ምስ ቀረበ ድማ፡ የሱስ፥ እንታይ ክገብረልካ ትደሊ ኣሎኻ፧ ኢሉ ሓተቶ። ንሱ ኸኣ፥ ጐይታይ፡ ክርኢ፡ በሎ።
   31ነቶም ዓሰርተው ክልተ ወሲዱ ድማ፡ እንሆ፡ ናብ የሩሳሌም ንድይብ ኣሎና፡ እቲ ብዛዕባ ወዲ ሰብ ኣብ ነብያት እተጻሕፈ ዅሉ ኸኣ ክፍጸም እዩ። 32ነህዛብ ኣሕሊፎም ክህብዎ፡ ከላግጹሉ፡ ክጸርፍዎ ጡፍውን ክብሉሉ፡ 33ገሪፎም ድማ ክቐትልዎ እዮም፡ ብሳልሰይቲ መዓልቲውን ክትንስእ እዩ፡ በሎም። 34ንሳቶም ግና ካብዚ ሓንቲ እኳ ኣየስተውዓሉን፡ እዚ ዘረባዚ ተሰዊርዎም ነበረ እሞ ነቲ እተዛረቦ ኣየስተብህልዎን ነበሩ።
   35ኰነ ድማ፡ ናብ ያሪኮ ምስ ቀረቡ፡ እንሆ፡ ሓደ ዕዉር ኣብ ጥቓ መገዲ ተቐሚጡ ይልምን ነበረ። 36እኩብ ህዝቢ ኽሓልፍ ከሎ ሰሚዑ ኸኣ፥ እዚ እንታይ እዩ፧ ኢሉ ሓተተ። 37የሱስ፡ እቲ ናዝራዊ፡ ይሓልፍ ኣሎ፡ ኢሎም ነገርዎ። 38ንሱ ኸኣ፡ የሱስ ወዲ ዳዊት፡ ምሓረኒ፡ ኢሉ ጨርሐ። 39እቶም ቅድሚት ዝኸዱ ዝነበሩ ስቕ ክብል ገንሕዎ። ንሱ ግና፡ ወዲ ዳዊት፡ ምሓረኒ፡ ኢሉ ኣዝዩ ጨርሐ። 40-41የሱስ ከኣ ደው ኢሉ ናብኡ ኸምጽእዎ ኣዘዘ። ናብኡ ምስ ቀረበ ድማ፡ የሱስ፥ እንታይ ክገብረልካ ትደሊ ኣሎኻ፧ ኢሉ ሓተቶ። ንሱ ኸኣ፥ ጐይታይ፡ ክርኢ፡ በሎ። 42የሱስ ድማ፥ ርአ፡ እምነትካ ኣሕወየትካ፡ በሎ። 43ብኡብኡ ረኣየ፡ ንኣምላኽ እናኣመስገነ ኸኣ ሰዓቦ። እቶም ህዝቢ ዅሎምውን እዚ ምስ ረኣዩ፡ ንኣምላኽ ኣመስገንዎ።
   ወን.ሉቃስ ምዕራፍ 19
   1የሱስ ኣብ ያሪኮ ኣትዩ ብእኣ ሓለፈ። 2እንሆ፡ ዘኬዎስ ዝስሙ ሰብኣይ ነበረ። ንሱ ሓለቓ ተገውቲ እዩ፡ ሃብታምውን እዩ። 3ንየሱስ ከኣ፡ ኣየናይ ምዃኑ ኽርእዮ ይደሊ ነበረ። ቍመቱ ሓጺር ስለ ዝነበረ ኸኣ፡ ካብ ብዝሒ እቲ ህዝቢ እተላዕለ ምኽኣል ሰኣነ። 4ምሕላፉ ብእኣ ነበረ እሞ፡ ቅድሚት ጐይዩ ኽርእዮ ናብ ሳግላ ሓዀረ። 5የሱስ ድማ ኣብታ ቦታ ምስ በጽሐ፡ ኣንቃዕሪሩ ጠሚትዎስ፥ ዘኬዎስ፡ ሎሚ ኣብ ቤትካ ኸውዕል ይግብኣኒ እዩእሞ፡ ቀልጢፍካ ውረድ፡ በሎ። 6ቀልጢፉ ወረደ ተሓጕሱውን ተቐበሎ። 7እዚ ምስ ረኣዩ ድማ፡ ኣብ ቤት ሓጥእ ሰብኣይ ክውዕል ኣተወ፡ ኢሎም ኵላቶም ኣዕዘምዘሙ። 8ዘኬዎስ ከኣ ተንሲኡ፡ ንጐይታ፡ ጐይታይ፡ እንሆ፡ ፈረቓ ጥሪተይ ንድኻታት እህብ፡ ገለ ዝዓመጽክዎ እንተሎውን፡ ኣርባዕተ ዕጽፊ እፈድዮ፡ በሎ። 9-10የሱስ ድማ፡ ወዲ ሰብ ንጥፉእ ክደልን ከድሕንን እዩ ዝመጸ እሞ፡ ነስኻ ኸኣ ወዲ ኣብርሃም ስለ ዝዀንካ፡ ሎሚ ነዛ ቤት ምድሓን ኰነላ፡ በሎ።
   11ንሳቶም እዚ ኽስምዑ ኸለዉ ድማ፡ ናብ የሩሳሌም ቀሪቡ ነበረ እሞ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ከኣ ብኡብኡ ኸም እትገሃድ ይመስሎም ስለ ዝነበረ፡ ወሲኹ ምስላ ተዛረበ። 12ስለዚ በለ፡ ሓደ ውሉድ ጭዋ፡ መንግስቲ ተቐቢሉ ኽምለስ፡ ናብ ርሑቕ ሃገር ከደ። 13ንዓሰርተ ባሮቱ ጸዊዑ ኸኣ፥ ክሳዕ ዝመጽእ በዚ ንገዱ፡ ኢሉ ዓሰርተ ምና ሃቦም። 14ደቂ ዓዱ ግና ጸልእዎ እሞ፥ እዚ ኽነግሰና ኣይንደልን ኢና፡ ኢሎም ደድሕሪኡ ለኣኹ። 15ኰነ ድማ፡ መንግስቲ ተቐቢሉ ምስ ተመልሰ፡ ነቶም ወርቂ ዝሃቦም ባሮቱ፡ ክንደይ ዝኣክል ከም ዝረብሑ ኸፈልጥ፡ ክጽውዑሉ ኣዘዘ። 16እቲ ቐዳማይ፥ ጐይታይ፡ ምናኻ ዓሰርተ ምና ወሊዳ፡ ኢሉ ቐረበ። 17ንሱ ኸኣ፡ ኣታ ሕያዋይ ባርያ፡ ጽቡቕ ገበርካ። ብሒደት እሙን ኴንካ ኢኻ እሞ፡ ኣብ ዓሰርተ ኸተማ ተሸየም፡ በሎ። 18እቲ ኻልኣይ ድማ፥ ጐይታይ፡ እታ ምናኻ ሓሙሽተ ምና ወሊዳ፡ እናበለ መጸ። 19ነዚ ድማ፥ ንስኻውን ኣብ ሓሙሽተ ኸተማ ተሸየም፡ በሎ። 20-21ሓደ ኻልእ ድማ፥ ጐይታይ፡ ዘየንበርካዮ እተልዕል፡ ዘይዘራእካዮ እትዓጽድ ሓያል ሰብ ኢኻ እሞ፡ ፈሪሄካስ፡ እዛ ኣብ ቍራጽ ዓለባ ቛጺረ ዘጽናሕክዋ ምናኻ እንሃልካ፡ እናበለ መጸ። 22ንሱ ድማ፥ ኣታ እኩይ ባርያ፡ ከምቲ ኣፍካ ዝበሎ እፈርደካ ኣሎኹ። ኣነ ዘየንበርክዎ ዘልዕል፡ ዘይዘራእክዎ ዝዓጽድ ሓያል ሰብ ምዃነይ ፈሊጥካ ኸሎኻስ፡ 23ስለምንታይ ደኣ ነቲ ወርቀይ ኣብ ሸረፍቲ ዘየንበርካዮ፧ ኣነ መጺኤ ምስ ወለዱ ምወሰድክዎ ነይረ፡ በሎ። 24ነቶም ኣብኡ ደው ዝበሉ ሰባት ከኣ፡ እታ ምና ኣግድፍዎ እሞ ነቲ ዓሰርተ ምና ዘለዎ ሃብዎ፡ በሎም። 25ንሳቶም ከኣ፥ ጐይታይ፡ እትስ ዓሰርተ ምና ኣለዎ፡ በልዎ። 26ንሱ ድማ፥ ንዘለዎ ዘበለ ኽውሃቦ እዩ፡ ነቲ ዘይብሉ ግና እታ ዘላቶ እኳ ኸግድፍዎ እዮም፡ እብለኩም ኣሎኹ። 27ነዞም ኣነ ኽነግሶም ዘይደለዩ ጸላእተይ ግና ናብዚ ኣምጺእኩም ኣብ ቅድመይ ሕረድዎም፡ በለ።
   28እዚ ምስ ተዛረበ፡ ናብ የሩሳሌም ክድይብ ንቕድሚት ደፍአ።
   29ኰነ ድማ፡ ናብ ቤተፋጌን ናብ ቢታንያን ኣብ ጥቓ ደብረ ዘይቲ ዝብሃል ከረን ምስ ቀረበ፡ ካብ ደቀ መዛሙርቱ ኽልተ ለኣኸ፡ ከምዚ ኢሉ፥ 30ናብዛ ኣብ ቅድሜኹም ዘላ ዓዲ ኺዱ። ኣብኣ ምስ ኣቶኹም፡ ሰብ ዘይተወጥሖ እሱር ጻዕብ ክትረኽቡ ኢኹም። ንእኡ ፈቲሕኩም ኣምጽእዎ። 31ሓደ፥ ስለምንታይ ትፈትሕዎ ኣሎኹም፥ ኢሉ እንተ ሓተተኩም ከኣ፥ ጐይታ ይደልዮ ኣሎ፡ በልዎ። 32እቶም እተላእኩ ኸይዶም ከምታ ዝበሎም ረኸቡ። 33ንሳቶም ነቲ ጻዕብ ክፈትሕዎ ኸለዉ፡ ዋናታቱ፥ ነዚ ጻዕብ ስለምንታይ ትፈትሕዎ ኣሎኹም፧ በልዎም። 34ንሳቶም ድማ፥ ጐይታ ይደልዮ ኣሎ፡ በልዎም። 35ናብ የሱስ ሒዞምዎ መጹ። ኣብቲ ጻዕብ ክዳውንቶም ጠይቂ ምስ ገበሩ ኸኣ፡ ንየሱስ ኣብኡ ኣወጥሕዎ። 36ንሱ ክኸይድ ከሎ፡ ክዳውንቶም ኣብ መገዲ ኣንጸፉ። 37ናብ መወዳእታ ቝልቍል ደብረ ዘይቲ ምስ ቀረበ፡ ኵሎም እቶም ብዙሓት ደቀ መዝቅሙርቱ ብዛዕባ እቲ ዝረኣይዎ ዅሉ ሓይልታት ክሕጐሱን ንኣምላኽ ብዓብዪ ድምጺ ኸመስግንዎን ጀመሩ እሞ፡ 38ብስም እግዚኣብሄር ዝመጽእ ንጉስ ብሩኽ እዩ። ሰላም ኣብ ሰማይ፡ ክብሪ ኣብ ኣርያም፡ በሉ። 39ካብቲ እኩብ ህዝቢ ድማ ሓያሎ ፈሪሳውያን፡ መምህር፡ ንደቀ መዛሙርትኻ ግንሓዮም፡ በልዎ። 40ንሱ ኸኣ፥ እዚኣቶም እኳ ስቕ እንተ በሉ፡ እዞም ኣእማን ክጭድሩ እዮም፡ እብለኩም ኣሎኹ፡ ኢሉ መለሰሎም።
   41ምስ ቀረበን ነታ ኽተማ ምስ ረኣያን፡ ከምዚ ኢሉ በኸየላ፥ 42ኣየ፡ ንስኺ በዛ መዓልቲኺ ንሰላምኪ ዝኸውን ነገር እንተ ትፈልጢ። ሕጂ ግና ካብ ዓንይንኺ ተኸዊሉ ኣሎ። 43ጻላእትኺ ቐጽሪ ቐጺሮም ዝዞሩኺ መዓልቲ ኽትመጸኪ እያ እሞ፡ ክኸቡኺ፡ በዝን በትን ከኣ ከጽብቡልኪ እዮም። 44ዘመን ምሕረትኪ ሳኣን ምፍላጥክስ፡ ንኣኽን ኣባኺ ንዝነብሩ ደቅኽን ክግምጥሉኹ፡ እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ ኣይክሓድጉልክን እዮም።
   45ናብ ቤተ መቕደስ ኣትዩ ኸኣ፡ ነቶም ዝሸጡን ዝሻየጡን፥ 46ቤተይ ቤት ጸሎት እያ፡ ተጽሒፉ ኣሎ፡ ንስኻትኩም ግና በዓቲ ጐሓሉት ገበርኩምዋ፡ እናበሎም ከውጽእ ጀመረ።
   47ኣብ ጸጽባሕ ከኣ ኣብ ቤተ መቕደስ ይምህር ነበረ። ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን ዓበይቲ ህዝብን ድማ ከጥፍእዎ ይደልዩ ነበሩ። 48ብዘሎ እቲ ህዝቢ ግና ክሰምዖ ደልዩ ይዓስሎ ነበረ እሞ፡ ዝገብርዎ ሰኣኑ።
   ወን.ሉቃስ ምዕራፍ 20
   1ብሓንቲ ኻብተን መዓልትታት እቲኤን ድማ ዀነ፡ ንህዝቢ ኣብ መቕደስ ክምህሮም ወንጌልውን ክሰብከሎም ከሎ፡ ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን ምስ ዓበይቲ ዀይኖም ተንሲኦም፥ 2በየናይ ስልጣን ኢኻ እዚ እትገብር ዘሎኻ፧ እዚ ስልጣን እዝስ መን ሃበካ፧ እስኪ ንገረና፡ ኢሎም ተዛረብዎ። 3ንሱ ኸኣ፥ ኣነውን ሓንቲ ነገር እሓተኩም ኣሎኹ እሞ፡ ንገሩኒ፥ 4ጥምቀት ዮሃንስሲ ኻብ ሰማይዶ ወይስ ካብ ሰብ እያ፧ ኢሉ መለሰሎም። 5ንሳቶም ከኣ፡ ካብ ሰማይ እንተ በልናዮ፡ ከመይ ደኣ ዘይኣመንኩምዎ፡ ክብለና እዩ። 6ካብ ሰብ እንተ በልናዮ ኸኣ፡ ኵሉ ህዝቢ ዮሃንስ ነብዪ ምዃኑ ይኣምን እዩ እሞ፡ ብእምኒ ኽጭፍልቐና እዩ፡ ኢሎም ብልቦም ይሓስቡ ስለ ዝነበሩ፡ 7ካበይ ምዃኑ ኸም ዘይፈልጡ፡ መለሱሉ። 8የሱስ ከኣ፥ ኣነውን በየናይ ስልጣን እዚ ኸም ዝገብር፡ ኣይነግረኩምን እየ፡ በሎም።
   9ነቶም ህዝቢ ኸኣ እዚ ምስላ እዚ ኽነግሮም ጀመረ፥ ሓደ ሰብኣይ ኣታኽልቲ ወይኒ ተኸለ፡ ንዓየይቲ ብመገስ ሂብዎም ከኣ፡ ነዊሕ ክድንጕ ናብ ካልእ ሃገር ከደ። 10ግዜኡ ምስ በጽሐ፡ ካብቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ፍረ ኽህብዎ ደልዩ፡ ንባርያኡ ናብቶም ዓየይቲ ለኣኾ። እቶም ዓየይቲ ግና ወቒዖም ጥራይ ኢዱ ሰደድዎ። 11ካልኣይ ባርያ ድማ ለኣኸ፡ ንእኡውን ወቐዖም፡ ኣዋሪዶም ጥራይ ኢዱ ሰደድዎ። 12መሊሱ ኸኣ ሳልሳይ ለኣኸ፡ ንእኡ ድማ ኣቝሲሎም ንወጻኢ ሰጐጕዎ። 13እቲ ዋና ኣታኽልቲ ወይኒ ድማ፥ እንታይ ደኣ ኽገብር እየ፧ ነዚ ዘፍቅሮ ወደይ ደኣ ኽሰድድ፡ ንእኡስ ይሓፍርዎ ግዲ ይዀኑ፡ በለ። 14እቶም ዓያይቲ ግና ምስ ረኣይዎ፡ ንሓድሕዶም፥ እዚ ወራሲ እዩ፡ እቲ ርስቱ ንኣና ምእንቲ ክኸውንሲ፡ ንዑ ንቕተሎ፡ ኢሎም ተማኸሩ። 15ካብቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ናብ ወጻኢ ኣውጺኦም ቀተልዎ። እቲ ዋና ኣታኽልቲ ወይኒኸ እንታይ ኰን ክገብሮም እዩ፧ 16መጺኡ ነቶም ዓየይቲ ኸጥፍእ፡ እቲ ኣታኽልቲ ወይኒውን ንኻልኦት ክህቦም እዩ። እዚ ምስ ሰምዑ፥ ያእ ኣይግበሮ፡ በሉ። 17ንሱ ግና ጠሚትዎም፥ እቲ ነደቕቲ ዝነዓቕዎ እምኒ፡ ንሱ ርእሲ መኣዝን ኰነ፡ ዝብል ጽሑፍዶ እንታይ እዩ፧ 18ኣብቲ እምኒ እቲ ዝወደቐ ዘበለ ኽስበር፡ እቲ እምኒ እቲ ዝወደቖ ድማ ክጭፍለቕ እዩ፡ በለ።
   19ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን ከኣ ነዛ ምስላ እዚኣ ብዛዕባኦም ከም እተዛረባ ስለ ዝፈለጡ፡ በታ ሰዓት እቲኣ ኽሕዝዎ ደለዩ፡ ግናኸ ነቶም ህዝቢ ፈርሁ። 20ተጻናትዮም ብዘረባ ኽሕዝዎ እሞ ንመንግስትን ስልጣን ሹምን ኣሕሊፎም ምእንቲ ኽህብዎ፡ ቅኑዓት ተመሲሎም ዝጻናጸኑ ሰደዱ። 21ንሳቶም ከኣ፥ መምህር፡ ብሓቂ ደኣ መገዲ ኣምላኽ ትምህር እምበር፡ ገጽ ሰብ ርኢኻ ኸም ዘይተድሉን ሓቂ ኸም እትዛረብን ከም እትምህርን፡ ንፈልጥ ኣሎና። 22ንቄሳር ግብሪ ኽንህብሲ ተፈቒዱልና ድዩ ወይ ኣይፋሉን፧ ኢሎም ሓተትዎ። 23ንሱ ግና ጕርሖም ፈሊጡ፥ ንምንታይከ ትፍትኑኒ ኣሎኹም፧ 24እቲ ዲናር ኣርእዩኒ። ምስሉን ጽሕፈቱን ናይ መን እዩ፧ በሎም። ንሳቶም ከኣ፥ ናይ ቄሳር፡ በሉ። 25ንሱ ድማ፥ እምብኣርሲ ናይ ቄሳር ንቄሳር፡ እቲ ናይ ኣምላኽ ከኣ ንኣምላኽ ሃቡ፡ በሎም። 26ኣብ ቅድሚ እቲ ህዝቢ ብዘረባኡ ኽሕዝዎ ኣይከኣሉን እሞ፡ በቲ ምላሹ ተገሪሞም ኣጽቀጡ።
   27ካብቶም ትንሳኤ ምውታት የልቦን ዝብሉ ሰዱቃውያን ድማ ሓያሎ ናብኡ መጺኦም ሓተትዎ፡ 28ከምዚ ኢሎም፥ ዎ መምህር፡ ሓደ ሰበይቲ ዘላቶ ሓድጊ ኸይሓደገ እንተ ሞተ፡ ሓዉ ነታ ሰበይቲ ይውረሳ እሞ ንሓዉ ሓድጊ የቝመሉ፡ ኢሉ ሙሴ ጸሓፈልና። 29እምብኣርከ ሾብዓተ ኣሕዋት ነበሩ። እቲ ቕዳማይ ሰበይቲ ኣእትዩ ኸይወለደ ሞተ። 30እቲ ኻልኣይ ድማ ወረሳ፡ ንሱ ኸኣ ከይወለደ ሞተ። 31እቲ ሳልሳይ ድማ ወረሳ፡ ከምእውን ሾብዓቲኦም ኣእትዮምዋስ፡ ውሉድ ከይሓደጉ ሞቱ። 32መወዳእታኡ እታ ሰበይቲውን ሞተት። 33እምብኣርሲ፡ ሾብዓቲኦም ኣእትዮምዋ ነይሮም እዮም እሞ እታ ሰበይቲ እቲኣ ብትንሳኤስ ሰበይቲ መኖም ክትከውን እያ፧ 34የሱስ ከኣ በሎም፥ ደቂ እዛ ዓለም እዚኣ የእትዉን የተኣታትዉን እዮም። 35-36እቶም ነታ ዓለም እቲኣን ንትንሳኤ ምዉታትን ንምርካብ ዝበቕዑ ግና ውሉድ ትንሳኤ ብምኳኖም ውሉድ ኣምላኽ እዮም፥ ከም መላእኽቲ ስለ ዝዀኑውን፡ ድሕርዚ ኽሞቱ ኣይከኣሎምን እዩ፡ ኣየእትዉን ኣየተኣታትዉን እዮም። 37ምዉታት ከም ዝትንስኡ ግና፡ ሙሴ ድማ ኣብቲ ኣሻዅ ቈጥቋጥ ንእግዝኣብሄር ኣምላኽ ኣብርሃምን ኣምላኽ ይስሃቅን ኣምላኽ ያእቆብን ብምባሉ ኣርኣየ። 38ንእኡ ዅሎም ህያዋን እዮም እሞ፡ ንሱስ ናይ ህያዋን እምበር፡ ናይ ምዉታት ኣምላኽ ኣይኰነን። 39ሓይሎ ኻብ ጸሓፍቲ ኸኣ፥ መምህር፡ ጽቡቕ ተዛሪብካ፡ ኢሎም መለሰሉ። 40ድሕርዚ ገለ ኽሓትዎ እኳ ኣይደፈሩን።
   41-43ንሱ ድማ፡ ዳዊት ባዕሉ ኣብ መጽሓፍ መዝሙራት፥ ጐይታ ንጐይታይ፥ ንጸላእትኻ መርገጽ እግርኻ ኽሳዕ ዝገብሮም፡ ኣብ የማንይ ተቐመጥ፡ በሎ፡ ይብል እዩ እሞ፡ ከመይ ኢሎም ደኣ እዮም፥ ክርስቶስ ወዲ ዳዊት እዩ ዝብሉ፧ 44እምብኣርሲ ዳዊት ጐይታይ ካብ ዝብሎ፥ ከመይ ኢሎ ደኣ ወዱ ይኸውን፧ በሎም።
   45ብዘሎ እቲ ህዝቢ ኽሰምዕ ከሎ ኸኣ፡ ንደቀ መዛሙርቱ፥ 46ወለል ብዝብል ክዳውንቲ ምዝዋር ካብ ዝደልዩ፡ ኣብ ዕዳጋ ምስላም፡ ኣብ ቤት ጸሎትውን ኣውራ መቐመጢ፡ ኣብ ምሳሕ ከኣ ኣውራ ስፍራ ኻብ ዝፈትዉ ጸሓፍቲ ተጠንቀቑ። 47እቶም ኣባይቲ መበለታት ዝውሕጡ፡ ንምኽንያትውን ጸሎት ዘንውሑ፡ ንሳቶም ዝገደደ ፍርዲ ኽረኽቡ እዮም፡ በሎም።
   ወን.ሉቃስ ምዕራፍ 21
   1ቍሊሕ ኢሉ፡ ሃብታማት መባኦም ኣብቲ ሳጹን ምጽዋት ከመይ ገይሮም ከም ዘውድቑ ረኣየ። 2ሓንቲ ድኻ መበለት ከኣ ኣብኡ ኽልተ ለብጦን ከተውድቕ ከላ ረኣየ እሞ፥ 3ካብ ኵላቶም እዛ ድኻ መበለት እዚኣ ኣብዚሓ ኸም ዘውደቐት፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። 4እዚኣቶምሲ ዅላቶም መባእ ካብ ተረፎም እዮም ዘውድቑ፡ እዚኣ ግና ካብ ስእነታ ዘለዋ ዅሉ ምግባ እያ ዘውደቐት፡ በለ።
   5ሓያሎ ብዛዕባ ቤተ መቕደስ፡ ብጽቡቕ ኣእማንን ብዘውደቕዎ ስልማትን ተሰሊሙ ኸም ዘሎ፡ ክዛረቡ ኸለዉ፡ ንሱ፡ 6እዚ እትርእይዎ ዘሎኹም፡ ዘይፈርስ እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ ዘይተርፈሉ መዓልትታት ክመጻ እየን፡ በለ። 7ንሳቶም ከኣ፥ ዎ መምህር፡ እዚ መኣዝ እዩ ዝኸውን፡ ኣጋ እዚ ዝዀነሉኸ ትእምርቱ እንታይ እዩ፡ ኢሎም ሓተትዎ። 8ንሱ ኸኣ፥ ኣነ እየ፡ እቲ ዘመን ከኣ ቀሪቡ እዩ፡ እናበሉ ብዙሓት ብስመይ ክመጹ እዮም እሞ ደድሕሪኦም ኣይትስዓቡ፡ ከይትስሕቱ ተጠንቀቑ። 9ብዛዕባ ውግእን ዕልወትን እንተ ሰማዕኩም፡ ኣይትሰምብዱ። እዚ ቕድም ክኸውን ብግዲ እዩ እሞ፡ መወዳእታ ግና ብኡብኡ ኣይከውንን እዩ፡ በለ።
   10ሽዑ በሎም፥ ህዝቢ ናብ ህዝቢ መንግስቲውን ናብ መንግስቲ ኽለዓል እዩ። 11ኣብ በቦታኡ ድማ ጥሜትን ፌራን ዓብዪ ምንቅጥቃጥ ምድርን ክኸውን፡ ካብ ሰማይውን መፍርህን ዓብዪ ትእምርትን ክኸውን እዩ። 12ቅድሚ ዅሉ ኸኣ ክሕዙኹምን ክሰጕኹምን እዮም። ስለ ስመይ ከኣ ናብ ቤት ጸሎትን ናብ ቤት ማእሰርትን ክወስዱኹም፡ ናብ ነገስታትን ሹማትን ከብጽሑኹም እዮም። 13እዚ ንምስክር ክዀነኩም እዩ። 14-15ኣነ ንዅሎም መኻራኽርትኹም ምቅዋሙን ምምጓቱን ዘይከኣሎም ኣፍን ጥበብን ክህበኩም እየ እሞ፡ ስለዚ ኸመይ ከም እትመልሱ፡ ቅድም ከይትሓልዩ፡ ኣብ ልብኹም ኣንብርዎ። 16ወለድን ኣሕዋትን ኣዝማድን ኣዕሩኽን ኣሕሊፎም ክህቡኹም፡ ካባካትኩምውን ንሓያሎ ክቐትሉ እዮም። 17ስለ ስመይ ከኣ ኵሉ ኽጸልኣኩም እዩ። 18ግናኸ ኻብ ርእስኹም ሓንቲ ጸጕሪ እኳ ኣይክትጠፍእን እያ። 19ንነፍስኹም ብትዕግስትኹም ከተጥርይዋ ኢኹም።
   20የሩሳሌም ብሰራዊት ተኸቢባ እንተ ርኤኹም፡ ሽዑ ጥፍኣታ ኸም ዝቐረበ ፍለጡ። 21ሽዑ ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ናብ ኣኽራን ይህደሙ፡ ኣብ ውሽጣ ዘለዉ ኸኣ ካብኣ ይውጽኡ፡ ኣብ ሃገረ ሰብ ዘለዉውን ናብኣ ኣይእተዉ። 22እዚ፡ እቲ ጽሑፍ ዘበለ ምእንቲ ኽፍጸምሲ፡ ወርሓት ሕነ እዩ። 23በተን መዓልትታት እቲኣተን ግና ንጥኑሳትን ንዘጥብዋን ወይለኤን። ኣብ ምድሪ በርቱዕ መከራ ክኸውን እዩእሞ፡ ኣብዚ ህዝቢ እዚ ድማ መዓት ክወርድ እዩ። 24ብስሕለት ሰይፊ ኽወድቁ፡ ናብ ኵሎም ኣህዛብውን ክማረኹ እዮም። ዘመናት ኣህዛብ ክሳዕ ዝፍጸም፡ የሩሳሌም በህዛብ ክትርገጽ እያ። 25ኣብ ጸሓይን ወርሕን ከዋኽብትን ከኣ ትእምርቲ ክኸውን እዩ። ኣብ ምድሪውን ጸበባ ኣህዛብ ክኸውን፡ ብደሃይ ባሕርን ማዕበልን ከኣ ዝገብርዎ ኽጠፍኦም እዩ። 26ሕያሊ ሰማያት ከንቀጥቅጥ እዩ እሞ፡ ብፍርሃትን ኣብ ዓለም ብዝመጽእ ምጽባይን ነፍሲ ሰብ ክትወጽእ እያ። 27ሽዑ ንወዲ ሰብ፡ ምስ ብዙሕ ሓይልን ግርማን ብደበና ሰማይ ክመጽእ ከሎ፡ ክርእይዎ እዮም። 28እዚ ምዃን ምስ ጀመረ፡ ምድሓንኩም ቀሪቡ እዩ እሞ፡ ቅንዕ በሉ ርእስኹምውን ኣልዕሉ።
   29ሓደ ምስላ ድማ ነገሮም፥ ኣብ ኦም በለስን ኣብ ኵሉ ኦምን ርኣዩ። 30ምጥጣዑ ኽትርእዩ ኸሎኹም፡ ክረምቲ ምቕራቡ ባዕላትኩም ትፈልጡ ኢኹም። 31ከምኡ ድማ ንስኻትኩም እዚ ዀይኑ ኽትርእዩ ኸሎኹም፡ መንግስቲ ኣምላኽ ምቕራባ ፍለጡ። 32እዚ ዅሉ ኽሳዕ ዝኸውን፡ እዚ ወለዶ እዚ ኸም ዘይሓልፍ ብሓቂ እብለኩም እሎኹ። 33ሰማይን ምድርን ክሓልፍ፡ ቃለይ ግና ኣይክሓልፍን እዩ። 34-35ግናኸ እታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ኵላ ዝባን ምድሪ ንዝነብሩ ዘበሉ ኸም መፈንጠራ ኽትበጽሖም እያእሞ፡ ስስዐን ስኽራንን ሓልዮት ሓዳርን ንልብኹም ከይኸብድ፡ እታ መዓልቲ እቲኣ ብድንገት ከይትመጻኩምሲ፡ ንነፍስኹም ተጠንቀቑ። 36ስለዚ ካብዚ ዝመጽእ ኵሉ ነገር ንምምላቝን ኣብ ቅድሚ ወዲ ሰብ ደው ንምባልን ሓይሊ ምእንቲ ኽትረክቡስ፡ ኵሉ ሳዕ እናጸሌኹም ንቕሑ።
   37መዓልተ መዓልቲ ኣብ ቤት መቕደስ ይምህር፡ ለይተ ለይቲ ኸኣ ኣብ ደብረ ዘይቲ ዝብሃል ከረን ደዪቡ ይሓድር ነበረ። 38ብዘሎ እቲ ህዝቢ ድማ ኣብ ቤተ መቕደስ ንእኡ ኽሰምዕ ናብኡ የንግህ ነበረ።
   ወን.ሉቃስ ምዕራፍ 22
   1ፋስጋ ዝብሃል በዓል ቅጫ ድማ ቐረበ። 2ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን ነቶም ህዝቢ ደኣ ፈሪሆም እምበር፡ ከመይ ገይሮም ከም ዘጥፍእዎ ይደልዩ ነበሩ።
   3ሰይጣን ግና ናብቲ ኣስቆሮታዊ ዝብሃል ይሁዳ ኣተወ፡ ንሱ ኻብ ቍጽሪ እቶም ዓሰርተው ክልተ እዩ፡ 4ከይዱ ኸኣ፡ ናብቶም ሊቃውንቲ ኻህናትን ሓላቑ ሓለውቲ መቕደስን ከመይ ገይሩ ኸም ዘትሕዞ፡ ተዛረበ። 5ተሓጕሶም ከኣ ኣቕራሽ ክህብዎ ኣውዓሉሉ። 6ንሱ ድማ ተሳማምዖም፡ ኣኼባ ህዝቢ ብዘብላ ግዜ ኸትሕዞውን ምሽእቲ ግዜ ይደሊ ነበረ። 7እታ ገንሸል ፋስጋ ኽሓርዱላ ዝግባእ መዓልቲ በዓል ቅጫ ኸኣ መጸት። 8የሱስ ድማ ንጴጥሮስ ዮሃንስን፥ ክዱ ክንበልዕሲ ገንሸል ፋስጋ ኣዳልዉልና፡ ኢሉ ለኣኾም። 9ንሳቶም ከኣ፥ ኣበይ ከነዳሉ ትፈቱ፧ በልዎ። 10ንሱ ድማ በሎም፥ እንሆ፥ ኣብ ከተማ ምስ ኣቶኹም፡ ዕትሮ ማይ ዝጾረ ሰብኣይ ክጓነፈኩም እዩ እሞ፡ ናብታ ዝኣትዋ ቤት ስዓብዎ። 11ነቲ ብዓል ቤት ከኣ፥ እታ ምስ ደቀ መዛሙርተይ ገንሸል ፋስጋ ዝበልዓላ ማሕደር ኣጋይሽሲ ኣበይ እያ፧ ይብለካ ኣሎ መምህር፡ በልዎ። 12ንሱ ኸኣ እተነጽፈ ኣዳራሽ ኣብ ደርቢ ኸርእየኩም እዩ፡ ኣብኡውን ኣዳልዉ። 13ከይዶም ከምታ ዝበሎም ረኸቡ፡ ገንሸል ፋስጋውን ኣዳለዉ።
   14እታ ሰዓት ምስ በጽሐት፡ ምስቶም ዓሰርተው ክልተ ሃዋርያት ኣብ መኣዲ ተቐመጠ። 15-16ንሱ ድማ፥ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ክሳዕ ዝፍጸም፡ ደጊም ካብዚ ኸም ዘይበልዕ፡ እብለኩም ኣሎኹ እሞ፡ ቅድሚ ስቓየይ ምሳኹም ገንሸል ፋስጋ ኽበልዕ፡ ብዙሕ ሃረር ኢለ ኣሎኹ፡ በሎም። 17-18ጽዋእ ኣልዒሉ ኣመስጊኑ ድማ፥ መንግስቲ ኣምላኽ ክሳዕ እትመጽእ፡ ካብዚ ፍረ ኦም ወይኒ ኸም ዘይሰቲ እብለኩም ኣሎኹ እሞ፡ ውሰዱ፡ እዚ ንሓድሕድኩም ተማቐልዎ፡ በለ። 19እንጌራ ኣልዒሉ ድማ ኣመስጊኑ ቘሪሱ፥ እዚ ምእንታኹም ዝውሃብ ዘሎ ስጋይ እዩ፡ እዚ ንመዘከርታይ ግበርዎ፡ ኢሉ ሃቦም። 20ከምኡ ድማ ድሕሪ ድራር ነታ ጽዋእ ኣልዒሉ፥ እዛ ጽዋዕ እዚኣ እቲ ምእንታኹም ብዝፈስስ ዘሎ ደመይ እተገብረ ሓድሽ ኪዳን እያ። 21ግናኸ ኢድ እቲ ዘትሕዘኒ ኣብ መኣዲ ምሳይ እንሃ። 22ወዲ ሰብሲ ኸምቲ እተመደበሉ ይኸይድ እዩ፡ ነቲ ወዲ ሰብ ብእኡ ዝተሓዝ ሰብኣይ ግና ወይለኡ፡ በለ። 23ካባታቶም እቲ እዚኣ ዝገብር መን ምዃኑ ኸኣ፡ ንሓድሕዶም ክማራመሩ ጀመሩ።
   24መኖም ዓብዪ መሲሉ ኸም ዝርኤ ኸኣ፡ ኣብ ማእከሎም ክርክር ኰነ። 25ሽዑ ንሱ በሎም፥ ነህዛብ ነገስታቶም እዮም ዝገዝእዎም፡ እቶም ምልኪ ዘለዎም ከኣ ሕያዎት ይብሃሉ። 26ንስኻትኩም ግና ከምኡ ኣይትኹኑ፥ እቲ ኣባኻትኩም ዓብይስ ከም ንእሽቶ፡ እቲ ጐይታውን ከም ግዙእ ደኣ ይኹን። 27እቲ ኣብ መኣዲ ዝቕመጥን እቲ ዘገልግልንከ ኣየናዮም ይዓቢ፧ እቲ ኣብ መኣዲ ዝቕመጥ ደይኰነን፧ ኣነ ግና ኣብ ማእከልኩም ከም ኣገልጋሊ እየ። 28ንስኻትኩም ግና ብፈተና ምሳይ እተዓገሰኩም ኢኹም። 29-30ኣብታ መንግስተይ ኣብ መኣደይ ምእንቲ ኽትበልዑን ክትሰትዩን፡ ኣብ ዝፋናት ተቐሚጥኩም ከኣ ንዓሰርተው ክልተ ነገድ እስራኤል ክትፈርዱንሲ፡ ከምቲ ንኣይ ኣቦይ ዝመደበለይ፡ ንኣካትኩም ከኣ ኣነ መንግስቲ መደብኩልኩም።
   31ስምኦን፡ ስምኦን፡ እንሆ፡ ሰይጣን ከም ስርናይ ክሓሕየኩም ተመነየ። 32ኣነ ግና፡ እምነትካ ኸይትጠፍእ፡ ምእንታኻ ለመንኩ። ንስኻ ድማ ምስ ተመለስካ፡ ነሕዋትካ ኣጸናንዓዮም። 33ንሱ ግና፥ ጐይታይ፡ ኣነስ ንማእሰርቲ ዀነ ወይ ንሞት ምሳኻ ንምኻድ ተዳልየ ኣሎኹ፡ በሎ። 34ንሱ ኸኣ፥ ጴጥሮስ፡ ከም ዘይትፈልጠኒ ኢልካ ሰለሰተ ሳዕ ክሳዕ እትኽሕደኒ፡ ሎሚ ደርሆ ኸም ዘይንቁ፡ እብለካ ኣሎኹ፡ በሎ።
   35ደሓር ከኣ፥ እቲ ብዘይ ማሕፉዳ፡ ብዘይ ስንቂ፡ ብዘይ ሳእኒ ምስ ለኣኽኩኹምሲ፡ ገለዶ ጐዲሉኩም፧ በሎም። ንሳቶም ከኣ፥ ሓንቲ እኳ በሉ። 36በሎም፥ ሕጂ ግና ማሕፉዳ ዘልዎ ይማላእ፡ ከምእዉን ስንቂ። እቲ ዘይብሉ ኸኣ ክዳኑ ሸይጡ ሰይፊ ይሻየጥ፡ 37ማለት እቲ ምስ ዓመጽቲ ተቘጽረ፡ ዝብል ጽሑፍ ኣባይ ክፍጸም ብግዲ እዩ፡ እብለኩም ኣሎኹ፡ እወ፡ እቲ ብዛዕባይ ቅድም እተባህለ ይፍጸም ኣሎ። 38ንሳቶም ከኣ፥ ጐይታይ፡ እንሆ፡ ኣብዚ ኽልተ ሰይፊ ኣሎ፡ በሉ። ንሱውን፥ ይኣክል፡ በሎም።
   39ወጺኡ ኸኣ ከምታ ልማዱ ናብ ደብረ ዘይቲ ኸደ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቱውን ሰዓብዎ። 40ኣብታ ስፍራ ምስ በጽሐ ኸኣ፥ ናብ ፈተና ኸይትኣትዉ፡ ጸልዩ፡ በሎም። 41ንሱ ኸኣ ካባታቶም ዳርባ እምኒ ዝኣክል ርሒቑ ተምበርኪኹ፥ 42ኣቦይ፡ ፍቓድካ እንተ ዀይኑ፡ ነዛ ጽዋእ እዚኣ ካባይ ኣሕልፋ። ግናኸ ፍቕድካ እምበር፡ ፍቓደይሲ ኣይኹን፡ እናበለ ጸለየ። 43ዘበርትዖ መልኣኽ ካብ ሰማይ ተራእዮ። 44ጻዕረ ሞት ሒዝዎ፡ ኣጽኒዑ ይልምን ነበረ። ረሃጹ ኻኣ ከም ነጥቢ ደም ናብ ምድሪ ይነጥብ ነበረ። 45ካብ ጸሎቱ ተንሲኡ ናብቶም ደቀ መዛሙርቱ ምስ መጸ ድማ፡ ብጓሂ ረዚዞም፡ ደቂሶም ረኸቦም። 46ንሱ ኸኣ፥ ከመይከ እትድቅሱ፧ ናብ ፈተና ኸይትኣትዉስ፡ ተንሲእኩም ጸልዩ፡ በሎም።
   47ንሱ ክዛረብ ከሎ፡ እንሆ፡ ብዙሕ ህዝቢ መጸ፡ ካብቶም ዓሰርተው ክልተስ ይሁዳ ዝበሃል ድማ ቀቅድሚኦም ይኸይድ ነበረ፡ ንየሱስውን ክስዕሞ ቐረበ። 48የሱስ ድማ፥ በል ይሁዳ፡ ንወዲ ሰብዶ ብምስዓም ተትሕዞ ኣሎኻ፧ በሎ። 49እቶም ኣማእኪሎምዎ ዘለዉ ኸኣ እቲ ዝዀነ ምስ ረኣዩ፥ ጐይታይ፡ ብሰይፊዶ ኽንወቅዕ፧ በልዎ። 50ሓደ ኻባታቶም ንባርያ ሊቀ ኻህናት ወቒዑ፡ የማነይቲ እዝኑ ቘረጾ። 51የሱስ ከኣ፥ ክሳዕዚ ይብጽሑ ሕደግዎም፡ ኢሉ መለሰሎም። እዝኑ ተንክዩውን ኣሕወዮ። 52የሱስ ነቶም ናብኡ ዝመጹ ሊቃውንቲ ኻህናትን ሓላቑ ሓለውቲ ቤተ መቕደስን ዓበይትን፥ ከም ናብ ከታሪዶ ኣስያፍን ኣባትርን ሒዝኩም ወጻእኩም፡ 53ኣብ ቤተ መቕደስ ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም ነይረ፡ ኣእዳውኩም እኳ ወስ ኣየበልኩምለይን። እዚኣ ግና ግዜኹምን ስልጣን ጸልማትን እያ፡ በሎም።
   54ሒዞም ከኣ ወሰድዎ፡ ናብ ቤት ሊቀ ኻህናትውን ኣእተውዎ። ጴጥሮስ ከኣ ርሕቕ ኢሉ ይስዕቦ ነበረ። 55ኣብ ማእከል እቲ መከበባያ ከኣ ሓዊ ኣንዲዶም ብሓንስእ ተቐሚጦም ከለዉ፡ ጴጥሮስ ኣብ ማከሎም ተቐመጠ። 56ሓንቲ ገረድ ኣብ ጥቓ እቲ ሓዊ ተቐሚጡ ምስ ረኣየቶ፡ ጠሚታቶ፥ እዚውን ምስኡ ነይሩ እዩ፡ በለት። 57ንሱ ግና፡ ኣቲ ሰበይቲ፡ ኣይፈልጦን እየ ኢሉ ኸሓደ። 58ቅሩብ ጽንሕ ኢሉ ኸኣ፡ ሓደ ኻልእ ርእይዎ፥ ንስኻውን ካባታቶም ኢኻ፡ በለ። ጴጥሮስ ግና፥ ኣታ ሰብኣይ፡ ኣይፋለይን፡ በለ። 59ሓንቲ ሰዓት እትኣክል ምስ ሓለፈት ከኣ፡ ሓደ ኻልእ፥ እዚ ድማ ብሓቂ ምስኡ ነይሩ እዩ፡ ገሊላዊ ኸኣ እዩ፡ ኢሉ ኣርጊጹ ተዛረበ። 60ጴጥሮስ ድማ፡ ኣታ ሰብኣይ፡ እዚ እትብሎ ዘሎኻ ኣይፈልጦን እየ፡ በሎ። ሽዑ ገና እዚኣ ክኦዛረብ ከሎ፡ ብኡብኡ ደርሆ ነቀወ። 61ጐይታ ኸኣ ግልጽ ኢሉ ንጴጥሮስ ጠመቶ። ጴጥሮስ ከኣ፥ ሎሚ ደርሆ ኸይነቀወ፡ ሰለስተ ሳዕ ክትክሕደኒ ኢኻ፡ ዝበሎ ቓል ጐይታ ዘከረ፡ 62ናብ ወጻኢ ከይዱውን መሪር ብኽያት በኸየ።
   63እቶም ንየሱስ ዝሓዝዎ ሰባት ድማ የላግጹሉን ይወቕዕዎን ነበሩ። 64ሸፊኖም ድማ ገጹ ይጸፍዕዎ፥ እስኪ ተነበየልና፡ መን እዩ ዝጸፍዓካ፡ እናበሉውን ይሓትዎ ነበሩ። 65እናጸረፍዎ ኸኣ ብዙሕ ካልእ ነገር በልዎ። 66-67ምድሪ ምስ ወግሐ፡ ዓበይቲ ህዝብን ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን ተኣኪቦም፥ ንስኻ እቲ ክርስቶስ እንተ ዄንካስ፡ እስኪ ንገረና፡ ኢሎም ናብ ዋዕላኦም ወሰድዎ። ንሱ ኸኣ፥ እንተ ነገርኩኹም፡ ኣይትኣምኑን፡ 68እንተ ሓተትኩኹም ድማ፡ ኣይትምልሱለይን ኣይትፈትሑንንውን ኢኹም። 69ወዲ ሰብ ግና ካብ ሕጂ ኣብ የማን ሓይሊ ኣምላኽ ክቕመጥ እዩ፡ በሎም። 70ኵሎም ከኣ፥ እምብኣርከ ንስኻስ ወዲ ኣምላኽ ኢኻ፧ በልዎ። ንሱ ኸኣ፥ ኣነ ኸምኡ እየ እሞ፡ ንስኻትኩም እኳ ትብሉ ኣሎኹም፡ በሎም። 71ንሳቶም ከኣ፥ ባዕላትና ኻብ ኣፉ ድሕሪ ሰማዕናኸ፡ ደጊም እንታይ ምስክር የድልየና፧ በሉ።
   ወን.ሉቃስ ምዕራፍ 23
   1እቶም እተኣከቡ ዅላቶም ተንሲኦም፡ ናብ ጲላጦስ ወሰድዎ። 2ንሳቶም ከኣ፥ እዚ፡ ንህዝብና ኸስሕቶም፡ ንቄሳር ግብሪ ኸይግብሩ ኸኣ ክኽልክሎም፡ ርእሱ፥ ክርስቶስ ንጉስ እየ፡ ኢሉውን ክዛረቦም ከሎ ረኺብናዮ፡ ኢሎም ክኸስዎ ጀመሩ። 3ጲላጦስ ከኣ፥ ንስኻዶ ንጉስ ኣይሁድ ኢኻ፧ ኢሉ ሕተቶ። ንሱ ድማ፥ ንስኻ እኳ ትብል ኣሎኻ፡ ኢሉ መለሰሉ። 4ጲላጦስ ድማ ንሊቃውንቲ ኻህናትን ነቶም ሰብን፥ ኣብዚ ሰብኣይዚ ሓንቲ በደል እኳ ኣይረኸብኩን፡ በሎም። 5ንሳቶም ግና፥ ካብ ገሊላ ሒዙ ኽሳዕ ኣብዚ ኣብ ብዘላ ይሁዳ እናመሃረ ንህዝቢ የባዕድ ኣሎ፡ ኢሎም ወዓዩ። 6ጲላጦስ ከኣ ገሊላ ኽብሉ ምስ ሰምዐ፡ ገሊላዊ እንተ ዀይኑ ሓተተ። 7ካብ ግዝኣት ሄሮድስ ምዃኑ ምስ ፈለጠ ድማ፡ ናብ ሄሮድስ ሰደዶ። ንሱውን በታ ቕነ እቲኣ ኣብ የሩሳሌም ነበረ።
   8ሄሮድስ ንየሱስ ምስ ረኣዮ፡ ብዛዕባኡ ብዙሕ ነገር ስለ ዝሰምዐ፡ ካብ ነዊሕ ግዜ ሒዙ ኽርእዮ ይደሊ ነበረ፡ ንሱ ዝገብሮ ተኣምራትውን ክርኢ ይጽበ ነበረ እሞ፡ ኣዝዩ ተሓጐሰ። 9ብናይ ብዙሕ ነገር ከኣ ሓተቶ፡ ንሱ ግና ሓንቲ እኳ ኣይመለሰሉን። 10ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን ከኣ ደው ኢሎም ኣበርቲዖም ይኸስዎ ነበሩ። 11ሄሮድስ ድማ ምስ ገላዉኡ ዀይኑ ኣቃለሎን ኣላገጸሉን፡ ብርቕርቕ ዝብል ክዳን ከዲኑ ኸኣ ናብ ጲላጦስ መሊሱ ሰደዶ። 12ቀደም ጲላጦስን ሄሮድስን ጽልኢ ነይሮምሲ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ተፋቐሩ።
   13ጲላጦስ ግና ንሊቃውንቲ ኻህናትን ንዓበይትን ንህዝብን ብሓባር ጸዊዑ፥ 14ነዚ ሰብኣይ እዚ፥ ንህዝቢ የስሕት ኣሎ፡ ኢልኩም ናባይ ኣምጺእኩምዎ፡ እንሆ፡ ኣብ ቅድሜኹም መርሚረዮስ፡ በዚ እትኽስዎ ዘሎኹም ነገር ኣብዚ ሰብኣይ እዚ ሓንቲ በደል እኳ ኣይረኸብኩን። 15ሄሮድስውን ከምኡ፡ ንሱ መሊሱ ናባና ሰዲድዎ እዩ እሞ፡ እንሆ፡ ናብ ሞት ዘብጽሕ ነገር ሓንቲ እኳ ኣይገበረን። 16ደጊም ቀጺዐ ኽፈትሖ እየ፡ በሎም። 17በብበዓል ግና ሓደ እሱር ክፈትሓሎም ልማድ ነበረ። 18እቶም ህዝቢ ድማ ኵሎም፥ ነዚ ንየው በሎ፡ ንበርባን ደኣ ፍትሓልና፡ ኢሎም ሓቢሮም ጨደሩ። 19በርባን ብምብዓድ ከተማን ብምቕታል ንፍስን ተኣሲሩ ዝነበረ እዩ። 20ጲላጦስ ድማ ንየሱስ ክሰዶ ደልዩ፡ ከም ብሓድሽ ተዛረቦም። 21ንሳቶም ግና፥ ስቐሎ፡ ስቐሎ፡ ኢሎም ጨደሩ። 22ሳልሳይ ግዜ ኸኣ፥ እንታይ ክፋእከ ገበረ፡ ንሞት ዝኸውን ምኽንያት ኣይረኸብኩሉን። ቀጺዐ ግዳ ኽፈትሖ፡ በሎም። 23ንሳቶም ግና ኣዝዮም ዓው ኢሎም ክሰቕሎ ኣጽኒዖም ለመንዎ እሞ ቃሎም ሰዓረ። 24ጲላጦስ ድማ ልማኖኦም ክዀነሎም ፈረደ። 25ነቲ ዝለመንዎ ብምብዓድን ብምቕታልን ተኣሲሩ ዝነበረ ፈትሓሎም፡ ንየሱስ ግና ንፍቓዶም ኣሕሊፉ ሃቦ።
   26ሒዞምዎ ክኸዱ ኸለዉ ኸኣ፡ ንስምኦን ቀሬናዊ ካብ በረኻ ኽኣቱ ኸሎ፡ ሓዝዎ። ደድሕሪ የሱስ ክጸውር ከኣ እቲ መስቀል ኣሰከምዎ። 27ብዙሕ ህዝቢ ኸኣ ይስዕቦ ነበረ፡ ኣንስቲውን ዋይዋይ ይብላሉን ይበኽያሉን ነበራ። 28-29የሱስ ድማ ናባታተን ግልጽ ኢሉ፥ ኣትን ኣዋልድ የሩሳሌም፡ ኣካ እዝጊ ሃባ እታ መኻን ዘይወለደት ከርስን ዘየጥበዋ ኣጥባትን፡ ዝብሉለን መዓልትታት ክመጻ እየን እሞ፡ ንርእስኽንን ንደቕኽንን ደኣ ብኸያ እምበር፡ ንኣይሲ ኣይትብከያለይ። 30-31ኣብ ጥሉል ኦም ከምዚ ኻብ ገበሩስ፡ ኣብቲ ንቑጽ ደኣ ኸመይ ክኸውን እዩ፡ ሽዑ ነኽራን ኣብ ልዕሌና ውደቑ፡ ንዅርባታትውን ከውሉና ምባል ክጅምሩ እዮም፡ በለን።
   32ንኽልተ ኻልኦት ገበርቲ ኽፉእውን ምስኡ ኽስቀሉ ኣምጽእዎም።
   33ቀራንዮ ኣብ እትብሃል ስፍራ ምስ በጽሑ፡ ኣብኣ ሰቐልዎ። ነቶም ገበርቲ ኽፉእ ከኣ ሓደ ብየማኑ ሓደውን ብጸጋሙ ሰቕልዎም። 34የሱስ ድማ፥ ኣቦይ፡ ዝገብርዎ ኣይፈልጡን እዮም እሞ፡ ሕደገሎም፡ በለ። ንኽዳውንቱ ኸኣ ዕጭ ኣውዲቖም ተማቐልዎ። 35እቲ ህዝቢ ደው ኢሉ ይርኢ ነበረ፡ እቶም ዓበይቲውን ምሳታቶም ኰይኖም፥ ንኻልኦት ኣድሒኑ፡ ንሱ ክርስቶስ ናይ ኣምላኽ ሕሩይ እንተ ዀይኑስ፡ ርእሱ የድሕን፡ እናበሉ የላግጹሉ ነበሩ። 36-37እቶም ጭፍራውን የላግጹሉ ነበሩ፡ ናብኡ ቐሪቦም ድማ፥ ንስኻ ንጉስ ኣይሁድ እንተ ዄንካስ ርእስኻ ኣድሕን፡ እናበሉ መጺጽ ኣምጽኡሉ። 38ኣብ ልዕሊ ርእሱ ኸኣ፥ እዚ ንጉስ ኣይሁድ እዩ፡ ዝብል ጽሕፈት ነበረ።
   39ካብቶም እተሰቕሉ ገበርቲ ኽፉእውን ሓደ፥ ንስኻ ክርስቶስ እንተ ዄንካ፡ ንርእስኻን ንኣናን ኣድሕን፡ ኢሉ የላግጸሉ ነበረ። 40እቲ ኻልኣዩ ግና፥ ኣታ ኣብዚ ኸምዚ ዝበለ ፍርዲ ኸሎኻስ፡ ኣምላኽዶ ኣይትፈርህን ኢኻ፧ 41ንሕናስ ብሓቂ ብግብርና ዝግብኣና ተፈዴና፡ እዚ ግና ሓንቲ ኽፍእቲ እኳ ኣይገበረን፡ ኢሉ ገንሖ። 42ንየሱስ ከኣ፥ ጐይታይ፡ ብመንግስትኻ ምስ እትመጽእ ዘክረኒ፡ በሎ። 43የሱስ ድማ፥ ሎሚ ምሳይ ኣብ ገነት ከም እትኸውን፡ ብሓቂ እብለካ ኣሎኹ፡ በሎ።
   44ካብ ግዜ ሳድሰይቲ ሰዓት ኽሳዕ ታስዐይቲ ሰዓት ኣብ ኵላ ምድሪ ጸልማት ኰነ። 45ጸሓይ ጸልመተት፡ መጋረጃ መቕደስ ኣብ ክልተ ተተርተረ። 46የሱስ ብዓብዪ ድምጺ፥ ኣቦይ፡ ንነፍሰይ ኣብ ኢድካ ኤማዕቍባ ኣሎኹ፡ ኢሉ ጨርሐ። እዚ ምስ በለ፡ ነፍሱ ወጸት። 47እቲ ሓለቓ ሚእቲ ግና እቲ ዝዀነ ምስ ረኣየ፥ እዚ ሰብኣይ እዚ ጻድቕ ነይሩ፡ ኢሉ ንኣምላኽ ኣመስገኖ። 48እቶም ክርእዩ እተኣከቡ ህዝቢ ድማ እቲ ዝዀነ ምስ ረኣዩ፡ ኣፍ ልቦም እናወቕዑ ተመልሱ። 49እቶም ዝፈልጥዎ ዅሎምን እተን ካብ ገሊላ ዝሰዓብኦ ኣንስትን ከኣ ብርሑቕ ደው ኢሎም ነዚ ይጥምቱ ነበሩ።
   50-51እንሆ፡ ዮሴፍ ዝስሙ መኻሪ፡ ብዓል ኣርማትያስ ከተማ ኣይሁድ፡ ሕያዋይን ጻድቕን ሰብኣይ ነበረ። ንሱ ንመንግስቲ ኣምላኽ ደኣ ይጽበያ ነበረ እምበር፡ ኣብቲ ምኽሮምን ግብሮምን ኣይተጸምበረን። 52ንሱ ናብ ጲላጦስ ከይዱ ስጋ የሱስ ለመኖ። 53ኣውሪዱ ብበፍታ ገነዞ፡ ሰብ ኣብ ዘይተቐብሮ ኣብ ውቕሮ መቓብር ከኣ ኣእተዎ። 54መዓልቲ ምድላው፡ ድሮ ሰንበት ነበረት። 55እተን ካብ ገሊላ ምስኡ ዝመጻ ኣንስቲ ድማ ስዒበን፡ መቓብሩን ስጋኡ ከኣ ኸመይ ከም እተነብረን ረኣያ። 56ተመሊሰን ከኣ ሽቱን ቅዱይ ቅብኣን ኣዳለዋ። ግናኸ ከምቲ ትእዛዝ ሕጊ ብሰንበት ዓረፋ።
   ወን.ሉቃስ ምዕራፍ 24
   1በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን እቲ ዘዳለዋኦ ሽቱ ሒዘን፡ ካልኦትውን ምሳታተን ኣንጊሀን ናብቲ መቓብር መጻ። 2እቲ እምኒ ኸኣ ካብቲ መቓብር ተገልቢጡ ረኸባኦ። 3ኣብኡ ኣትየን ከኣ ስጋ ጐይታና የሱስ ኣይረኸባን። 4ኰነ ድማ፡ ብዛዕባዚ ኽግረማ ኸለዋ፡ እንሆ፡ ብርቕርቕ ዝብል ክዳውንቲ እተኸድኑ ኽልተ ሰብኣይ ኣብ ቅድሚኤን ደው በሉ። 5ፈሪሀን ገጸን ናብ ምድሪ ምስ ኣድነና ኸኣ፡ ንሳቶም፥ ንምንታይከ ነቲ ህያው ኣብ ማእከል ምዉታት ትደልያኦ ኣሎኽን፡ 6-7ንሱስ ተንሲኡ፡ ኣብዚ የሎን። ነቲ ኣብ ገሊላ ኸሎ፥ ወዲ ሰብ ኣብ ኢድ ሓጥኣን ክውሃብን ክስቀልን ብሳልሰይቲ መዓልቲ ኽትንስእን ብግዲ እዩ፡ ኢሉ ዝነገረክን ዘክራኦ፡ በልወን። 8ነቲ ዘረባኡ ኸኣ ዘከራኦ። 9ካብቲ መቓብር ተመሊሰን ድማ፡ እዚ ዅሉ ነቶም ዓሰርተው ሓደን ነቶም ካልኦት ኵሎምን ነገራኦም። 10እተን እዚ ንሃዋርያት ዝነገራ ድማ ማርያም ብዓልቲ መግደላን ዮሃናን ማርያም ኣደ ያእቆብን ምሳታተንውን ካልኦት ኣንስትን እየን። 11እዚ ዘረባዚ ኣብ ቅድሚኦም ከም ዕሽነት መሲሉ ተራእይዎምሲ ኣይኣመንወንን። 12ጴጥሮስ ግና ተንሲኡ ናብቲ መቓብር ጐየየ። ድንን እንተ በለ ኸኣ፡ እቲ መግነዝ ጥራይ ተነቢሩ ረኣየ። በቲ ዝዀነ ብልቡ እናተገረመውን ናብ ቤቱ ተመልሰ።
13እንሆ ኸኣ በታ መዓልቲ እቲኣ ኽልተ ኻባታቶም ካብ የሩሳሌም ስሳ እስታድዮስ ዝምርሓቓ ኤማሁስ ናብ እትብሃል ዓዲ ይኸዱ ነበሩ። 14ንሳቶም ከኣ በቲ ዝዀነ ዅሉ ነገር ንሓድሕዶም ይዛራረቡ ነበሩ። 15ኰነ ድማ፡ ክዛራረቡን ክማራመሩን ከለዉ፡ የሱስ ባዕሉ ቐሪቡ ምሳታቶም ከደ። 16ከየለልይዎ ግና ኣዒንቶም ተሰዊረን ነበራ። 17ንሱ ድማ፡ እዚ እናኸድኩምን እናጐሃኹምን ንሓድሕድኩም እትዛራረብዎ ዘሎኹም ዘረባስ እንታይ እዩ፧ በሎም። 18እቲ ሓደ ካብኦም ቀለዮጳ ዝስሙ፥ በዘን መዓልትታት እዚኣተን ነዚ ኣብ የሩሳሌም ዝዀነ ነገር ዘይትፈልጥሲ፡ ንስኻ በይንኻዶ ኣብኣ ጋሻ ኢኻ፧ ኢሉ መለሰሉ። 19ንሱ ኸኣ፥ እንታይ እዩ፧ በሎም። ንሳቶም በልዎ፥ እዚ ናይ የሱስ ናዝራዊ ነገር፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኵሉ ህዝብን ብግብርን ቃልን ከኣሊ ነብዪ ዝነበረ ሰብኣይ፡ 20ሊቃውንቲ ኻህናትን ዓበይትናን ንፍርዲ ሞት ኣሕሊፎም ከም ዝሃብዎን ከም ዝሰቐልዎን፡ 21ንሕና ግና፥ እቲ ንእስራኤል ዘድሕን ንሱ እዩ፡ ኢልና ተስፋ ንገብር ኔርና። ምስናይ እዚ ዅሉ ኸኣ እዚ ኻብ ዝኸውን ሎሚ ሳልሰይቲ መዓልቲ እያ። 22ግናኸ ካባታትና ኣንስቲ ናብ መቓብር ኣንጊሀን ነበራ እሞ ኣስተንከራና። 23ስጋኡ ምስ ሰኣና ኸኣ፡ ህያው ምዃኑ ዝነገርወን ራእይ መላእኽቲ ኸም ዝረኣያ፡ መጺኤን ነገራና። 24ካባና ገለ ሰባት ናብ መቓብር ከዱ፡ ከምቲ እተን ኣንስቲ ዝበላኦ ዀይኑ ረኸቡ፡ ንእኡ ግና ኣይረኣይዎን። 25ንሱ ድማ፥ ኣቱም፡ ነብያት ብተዛረብዎ ዅሉ ንምእማን ልቦም ዝደንጐየ ዓያሱ፡ 26ክርስቶስ እዚ ሓሳረ መከራ እዚ ኽጸግብ እሞ ናብ ክብረቱ ኽኣቱ ናይ ግዲ ደይኰነን፧ በሎም። 27ካብ ሙሴን ኵሎም ነብያትን ሒዙ ኸኣ እቲ ብዛዕባኡ ኣብ ኵሉ ጽሑፋት ዘሎ ኽትርጕመሎም ጀመረ። 28ናብታ ዝኸድዋ ዘለዉ ዓዲ ምስ ቀረቡ ኸኣ፡ ከም ዝሓልፍ መሰለ። 29ንሳቶም ግና፥ መስዩ እዩ፡ ጸሓይውን ዓሪባ እያ እሞ፡ ምሳና ሕደር፡ ኢሎም ተጋደልዎ። ንሱ ኸኣ ምሳታቶም ክሓድር ኣተወ። 30ኰነ ድማ፡ ምሳታቶም ኣብ መኣዲ ምስ ተቐመጠ፡ እንጌራ ኣልዒሉ ባረኸ ቈሪሱውን ሃቦም። 31ሽዑ ኣዒንቶም ተኸፍታ እሞ ኣለለይዎ፡ ንሱ ግና ካባታቶም ተሰወረ። 32ንሓድሕዶም ከኣ፥ እቲ ኣብ መገዲ ክዛረበናን እተን ጽሑፋት ክትርጕመልና ከሎዶ ግዳ ልብና ይነደና ኣይነበረን፡ ተባሃሃሉ። 33በታ ሰዓት እቲኣ ተላዒሎም ናብ የሩሳሌም ተመልሱ። ነቶም ዓሰርተው ሓደን ነቶም ምሳታቶም ዘለዉን ከኣ ተኣኪቦም ረኸብዎም። 34ንሳቶም ከኣ፡ ጐይታ ብሓቂ ተንሲኡ፡ ንስምኦን እኳ ተራእይዎ፡ በሉ። 35እቶም ካልኦት ድማ፡ እቲ ኣብ መገዲ ዝዀነን እንጌራ ምስ ቈረሰ ኸኣ ከመይ ከም ዘለልይዎን፡ ነገርዎም።
36እዚ ክዛራረቡ ኸለዉ ኸኣ፡ የሱስ ባዕሉ ኣብ ማእከሎም ደው ኢሉ፡ ሰላም ናኣኻትኩም ይኹን፡ በሎም። 37ንሳቶም ድማ መንፈስ ዝረኣዩ መሲልዎም፡ ፈሪሆም ሰምበዱ። 38ንሱ ኸኣ፡ እንታይ ዄንኩም ኢኹም እትስምብዱ፡ ከምዚ ዝበለ ሓሳብከ ስለምንታይ ኣብ ልብኹም ይለዓል፧ 39ኣነ ባዕለይ ምዃነይ ኣእዳወይን ኣእጋረይን ርኣዩ። ከምዚ ንኣይ ዘሎኒ እትርእይዎ ዘሎኹም፡ ንመንፈስሲ ስጋን ዓጽምን የብሉን እሞ፡ ኣረምሲስኩም ርኣዩኒ፡ በሎም። 40እዚ ኢሉ ኣእዳዉን ኣእጋሩን ኣርኣዮም። 41ንሳቶም ከኣ ተገሪሞም፡ ብሓጐሶም ምኽንያት ገና ምእማን ስለ ዝሰኣኑ፡ ንሱ፥ ገለ ዝብላዕዶ ኣብዚ ኣሎኹም፡ በሎም። 42ንሳቶም ከኣ ምቃል ጥቡስ ዓሳን ጐጎ መዓርን ሃብዎ። 43ተቐቢሉ ኣብ ቅድሚኦም በልዐ።
44ንሱ ድማ፥ እዚ እቲ ምሳኻትኩም ከሎኹ፡ ኣብ ሕጊ ሙሴን ነብያትን መዝሙራትን ብዛዕባይ እተጻሕፈ ዅሉ ኽፍጸም ይግባኦ እዩ፡ ኢለ ዝነገርኩኹም ቃለይ እዩ፡ በሎም። 45ሽዑ ነተን ጽሑፋት ከስተውዕልወን፡ ኣእምሮኦም ከፈተሎም እሞ፥ 46ክርስቶስ ሓሳረ መከራ ኽጸግብ፡ ብሳልሰይቲ መዓልቲውን ካብ ምዉታት ክትንስእ፡ 47ብስሙ ኸኣ ንስሓን ሕድገት ሓጢኣትን ካብ የሩሳሌም ጀሚሩ ኣብ ኵሎም ኣህዛብ ክስበኽ፡ ጽሑፍ እዩ። 48በዚ ንስኻትኩም ምስክር ኢኹም። 49እንሆ፡ ኣነ ተስፋ ኣቦይ ክሰደልኩም እየ። ንስኻትኩም ግና ካብ ላዕሊ ሓይሊ ኽሳዕ እትለብሱ፡ ኣብ ከተማ የሩሳሌም ጽንሑ፡ በሎም።
50ንወጻኢ ድማ ክሳዕ ቢታንያ ወሰዶም፡ ኢዱ ኣልዒሉውን ባረኾም። 51ኰነ ድማ፡ ክባርኾም ከሎ፡ ካባታቶም ተፈልየ፡ ናብ ሰማይውን ዓረገ። 52ንሳቶም ከኣ ሰገድሉ፡ ብብዙሕ ሓጐስውን ናብ የሩሳሌም ተመልሱ። 53ንኣምላኽ እናወደሱን እናኣመስገኑን ከኣ ኵሉ ሳዕ ኣብ ቤት መቕደስ ይነብሩ ነበሩ

Leave a Reply

መጽሓፍ ቅዱስ ትግርኛ
ብሉይን ሓድሽን ኪዳን
ብሉይ ኪዳን
ሓድሽ ኪዳን
መጽሓፍ ቅዱስ ትግርኛ
ብሉይን ሓድሽን ኪዳን

ብሉይ ኪዳን

ሓድሽ ኪዳን