መጽሓፍ  አዝራ

1  2  3  4  5  6  7  8  
9  10

         መ. እዝራ  ምዕራፍ 1            

   1ንቂሮስ ንጉስ ፋርስ ኣብ መጀመርታ ዓመቱ፡ እቲ ብኣፍ ኤርምያስ እተነግረ ቓል እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽፍጸም፡ እግዚኣብሄር ንመንግስቱ ድማ ብቓል ብጽሕፈትን ከምዚ ኢሉ ኣወጀ።2ቂሮስ ንጉስ ፋርስ ከምዚ ይብል፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰማይ ኩለን መንግስትታት ምድሪ ሃበኒ፡ ንሱ ኸኣ ኣብታ ኣብ ይሁዳ ዘላ የሩሳሌም ቤት ክሰርሓሉ ኣዘዘኒ።3ዝኾነ ይኹን ካብ ህዝቡ ኣብ ማእከልኩም ዘሎ ኸኣ ኣምላኹ ምስኡ ይኹን። ነቲ ኣብ የሩሳሌም ዝነብር ኣምላኽ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፡ ቤት ክሰርሓሉ ናብታ ኣብ ይሁዳ ዘላ የሩሳሌም ይደይብ።4ኣብ ኩለን ቦታ ሰደቱ ንዝተረፈ ዘበለ ሰብ ድማ፡ እቶም ሰብ እታ ቦታ፡ ብጀካ እቲ ብፍቓዶም ነቲ ኣብ የሩሳሌም ዘሎ ቤት ኣምላኽ ዝወሃብሲ፡ ብብሩርን ብወርቅን ብገንዘብን ብእንስሳን ይሓግዝዎ።
5ሽዑ እቶም ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታት ይሁዳን ብንያምን ካህናትን ሌዋውያንን፡ ነታ ኣብ የሩሳሌም ዘላ ቤት እግዚኣብሄር ክሰርሑ ኽድይቡ ኣምላኽ ንመንፈሶም ዝደረኾ ዘበሉ ተላዕሉ።6እቶም ኣብ ከባቢኦም ዝነብሩ ኹላቶም ከኣ፡ ብጀካ እቲ ብፍቓዶም ዝሃብዎ ህያብ፡ ብቕሓ ብሩርን ብወርቅን ብገንዘብን ብእንስሳን ብዝኸበረ ህያባትን ኣእዳዎም ደገፍ።
7ነቲ ነቡክዳነጻር ካብ ዮርዳሌም ኣውጺኡ ኣብ ቤት ኣምላኹ ኣቐሚጥዎ ዝነበረ ኣቓሑ ቤት እግዚኣብሄር ከኣ፡ ንጉስ ቂሮስ ኣውጽኦ።8ቂሮስ ንጉስ ፋርስ ድማ፡ ብኢድ ሚትረዳት እቲ ተሓዝ መዝገብ ኣውጺኡ ንሹም ይሁዳ፡ ንሸሽባጻር፡ ፈቒዱ ሃቦ።9ፍቕዱ ኸኣ እዚ እዩ፡ ጭሐሎ ወርቂ ሰላሳ፡ ጭሐሎ ብሩር ሽሕ፡ ካራታት ዕስራን ትሽዓተን፡10ጽዋእ ወርቂ ሰላሳ፡ ካልእ ዓይነት ጽዋእ ብሩር ኣርባዕተ ሚእትን ዓሰርተን፡ ካልእ ኣቕሓ ኸኣ ሽሕ።11ኩሉ ኣቕሓ ወርቅን ብሩርን ሓሙሽተ ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ነበረ። እቶም ምሩኻት ካብ ባቢሎን ናብ የሩሳሌም ክድይቡ ኸለው፡ ሸሽባጻር ነዚ ኹሉ ኣደየቦ።

        መ. እዝራ  ምዕራፍ 2 

   እቶም ደቂ ሃገር፡ ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ናብ ባቢሎም ማሪኽዎም ዝነበረ እሞ ካብ ምርኮ ደይቦም ናብ የሩሳሌምን ናብ ይሁዳን ነፍሲ ወከፍ ነናብ ከተማኡ፡ እተመልሱ እዚኣቶም እዮም።2እቶም ምስ ዙሩባቤል ዝመጹ፡ እያሱ፡ ነህምያ፡ ሰራያ፡ ርዐላይ፡ ማርዶካይ፡ ቢልሻን፡ ሚስጳር፡ ቢግዋይ፡ ረሑም፡ ባዓና እዮም።
3ደቂ ፈርዖሽ ክልተ ሽሕን ሚእትን ሰብዓን ክልተን።4ደቂ ሸፋጥያ ሰለስተ ሚእትን ሰብዓን ክልተን።5ደቂ ኣርሓ ሾብዓተ ሚእትን ሰብዓን ሓሙሽተን።6ደቂ ፋሓትሞኣብ ካብ ደቂ እያሱ ዮኣብን ክልተ ሽሕን ሾሞንተ ሚእትን ዓሰርተው ክልተን።7ደቂ ዐላም ሽሕን ክልተ ሚእትን ሓምሳን ኣርባዕተን።8ደቂ ዛቱ ትሽዓተ ሚእትን ኣርብዓን ሓሙሽተን።9ደቂ ዘካይ ሾብዓተ ሚእትን ስሳን።10ደቂ ባኒ ሽዱሽተ ሚእትን ኣርብዓን ክልተን።11ደቂ ቤባይ ሹድሽተ ሚእትን ዕስራን ሰለስተን።12ደቂ ዓዝጋድ ሽሕን ክልተ ሚእትን ዕስራን ክልተን።13ደቂ ኣዶኒቃም ሹዱሽተ ሚእትን ስሳን ሽዱሽተን።14ደቂ ቢግዋይ ክልተ ሽሕን ሓምሳን ሽዱሽተን።15ደቂ ዓዲን ኣርባዕተ ሚእትን ሓምሳን ኣርባዕተን።16ደቂ ኣጤር ካብ ዓሌት ህዝቅያስ ተስዓን ሾሞንተን17ደቂ ቤጻይ ሰለስተ ሚእትን ዕስራን ሰለስተን።18ደቂ ዮራህ ሚእትን ዓሰርተው ክልተን።19ደቂ ሓሹም ክልተ ሚእትን ዕስራን ሰለስተን።20ደቂ ጊበር ተስዓን ሓሙሽተን።21ደቂ ቤት-ልሄም ሚእትን ዕስራን ሰለስተን።22ሰብ ነጦፋ ሓምሳን ሹዱሽተን።23ሰብ ዓናቶት ሚእትን ዕስራን ሾሞንተን።24ደቂ ዕዝማዌት ኣርብዓን ክልተን።25ደቂ ቂርያትዓሪምን ከፊራን ብኤሮትን ሾብዓተ ሚእትን ኣርብዓን ሰለስተን።26ደቂ ራማን ጌባዕን ሹድሽተ ሚእትን ዕስራን ክልተን።27ሰብ ሚኽማሽ ሚእትን ዕስራን ሓደን።28ሰብ ቤት-ኤልን ዓይን ክልተ ሚእትን ዕስራን ሰለስተን።29ደቂ ኔቦ ሓምሳን ክልተን።30ደቂ ማግብሽ ሚእትን ሓምሳን ሹዱሽተን።31ደቂ ኻልኣይ ዔላም ሽሕን ክልተ ሚእትን ሓምሳን ኣርባዕተን።32ደቂ ሓሪም ሰለስተ ሚእትን ዕስራን።33ደቂ ሎድን ሓዲድን ኦኖን ሾብዓተ ሚእትን ዕስራን ሓሙሽተን።34ደቂ ያሪኮ ሰለስተ ሚእትን ኣርብዓን ሓሙሽተን።35ደቂ ሰናኣ ሰለስተ ሽሕን ሹድሽተ ሚእትን ሰላሳን።
36ካህናት፡ ደቂ የዳዕያ ካብ ቤት እያሱ ትሽዓተ ሚእትን ሰብዓን ሰለስተን።37ደቂ ኢመር ሽሕን ሓምሳን ክልተን።38ደቂ ፋሽሑር ሽሕን ክልተ ሚእትን ኣርብዓን ሾብዓተን።39ደቂ ሓሪም ሽሕን ዓሰርተው ሾብዓተን።
40ሌዋውያን፡ ደቂ እያሱን ቀድሚኤልን፡ ካብ ደቂ ሆዳውያ፡ ሰብዓን ኣርባዕተን።41ዘመርቲ፡ ደቂ ኣሳፍ ሚእትን ዕስራን ሾሞንተን።
42ደቂ ኣጋፈርቲ፡ ደቂ ሻሎም፡ ደቂ ኣጤር፡ ደቂ ጣልሞን፡ ደቂ ዓቑብ፡ ደቂ ሓጢጣ፡ ደቂ ሾባይ፡ እዚኣቶም ኩላቶም ሚእትን ሰላሳን ትሽዓተን።
43ነቲኒም፡ ደቂ ጺሓ፡ ደቂ ሓሱፋ፡ ደቂ ጣብዖት፡44ደቂ ቄሮስ፡ ደቂ ሲዓህ፡ ደቂ ፋዶን፡45ደቂ ሊባና፡ ደቂ ሓጋባ፡ ደቂ ዓቑብ፡46ደቂ ሓጋብ፡ ደቂ ሻምላይ፡ ደቂ ሓናን፡47ደቂ ጊዳል፡ ደቂ ጋሓር፡ ደቂ ረኣያ፡48ደቂ ረጺን፡ ደቂ ነቖዳ፡ ደቂ ጋዛም፡49ደቂ ዑዛ፡ ደቂ ፋሴሓ፡ ደቂ ቤሳይ፡50ደቂ ኣሰና፡ ደቂ መዑኒም፡ ደቂ ነፊሲም፡51ደቂ ባቅቡቅ፡ ደቂ ሓቁፋ፡ ደቂ ሓርሑር፡52ደቂ ባጽሎት፡ ደቂ መሒዳ፡ ደቂ ሓርሻ፡53ደቂ ባርቆስ፡ ደቂ ሲስራ፡ ደቂ ታማሕ፡54ደቂ ነጺኣሕ፡ ደቂ ሓጢፋ።
55ደቂ ገላው ሰሎሞን፡ ደቂ ሰጣይ፡ ደቂ ሰፋረት፡ ደቂ ፋሩዳ፡56ደቂ ያዓላ፡ ደቂ ዳርቆን፡ ደቂ ጊደል።57ደቂ ሸፋጥያ፡ ደቂ ሓጢል፡ ደቂ ጶኮረትሃጸባይም፡ ደቂ ኣሚ።
58ኩላቶም ነቲኒምን ደቂ ገላው ሰሎሞንን ሰለስተ ሚእትን ተስዓን ክልተን እዮም።
59እዚኣቶም ድማ ካብ ተልሜላሕን ካብ ተልሓርሻን ካብ ካሩብኣዳንን ካብ ኢመርን ዝደየቡ እዮም እሞ፡ ካብ እስራኤል ምዃኖም ማይ ቤት ኣቦታቶምን ዘርኦምን ክነግሩ ዘይከኣሉ፡60ደቂ ደላያ፡ ደቂ ጦብያ፡ ደቂ ነቆዳ ሹዱሽተ ሚእትን ሓምሳን ክልተን።61ካብ ደቂ ኻህናት ከኣ፡ ደቂ ሓባያ፡ ደቂ ሃቆጽ፡ ደቂ እቲ ኻብ ኣዋልድ ባርዚላይ ጊልዓዳዊ ሰበይቲ ዝወሰደ ብስሞምውን እተሰምየ ባርዚለይ እዮም።62እዚኣቶም ጽሕፈት ወለዶኦም ደለዩ፡ ግናኸ ኣይረኽቡን፡ ስለዚ ኸም ርኹሳት ካብ ካህናት ተኸልከሉ።63እቲ ቲርሻታ ኸኣ፡ ንኡሪምን ንቱሚምን ካህን ክሳዕ ዝትንስእ ካብ ቅድስተ ቅዱሳን ኣይትብልዑ በሎም።
64ኩሉ እቲ ማሕበር ብኣካቡ ኣርብዓንን ክልተን ሽሕን ሰለሰተ ሚእትን ስሳን ነበረ።65ብዘይ ገላውኦምን ኣግራዶምን፡ ንሳቶም ሾብዓተ ነበሩ። ዝዝመሩን ዝዝምራን ድማ ክልተ ሚእቲ ነበርዎም።66ኣፍራሶም ሾብዓተ ሚእትን ሰሳን ሽድሽተን፡ ኣባቕሎም ክልተ ሚእትን ሰላሳን ሽዱሽተን፡ ኣባቕሎም ክልተ ሚእትን ኣርብዓን ሓሙሽተን፡67ኣግማሎም ኣርባዕተ ሚእትን ሰላሳን ሓሙሽተን፡ ኣእዱግ ሽዱሽተ ሽሕን ሾብዓተ ሚእትን ዕስራን ነበሩ።
68ገላ ኻብቶም ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታት ከኣ ኣብታ ኣብ የሩሳሌም ዘላ ቤት እግዚኣብሄር ምስ መጹ፡ ነታ ቤት ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ እታ ቦትኣ ኽሰርሕዋ ብፍቓዶም ገንዘብ ሃቡ።69ንመዝገብ እቲ ዕዮ ዝኸውን ከከም ዓቕሞም ስሳን ሓደን ሽሕ ዳሪክ ወርቂ፡ ሓሙሽተ ሽሕ ታለንት ብሩር፡ ልብሰ ኽህነት ድማ ሚእቲ ሃቡ።
70ካህናትን ሌዋውያንን ገላ ኻብቲ ህዝብን ዘመርትን ኣጋፈርትን ነቲኒምን ከኣ ኣብ ከተማታቶም፡ እስራኤል ድማ ኩላቶም ኣብ ከተማታቶም ተቐመጡ።

        መ. እዝራ  ምዕራፍ 3            

   1እታ ሳብዐይቲ ወርሒ ምስ መጸት ድማ፡ ደቂ እስራኤልውን ኣብ ከተማታቶም ምስ ተቐመጡ፡ እቶም ህዝቢ ኸም ሓደ ሰብ ኮይኖም ናብ የሩሳሌም ተኣከቡ።2ሽዑ እያሱ ወዲ ዪጻዳቅን ኣሕዋቱ ኻህናትን ዘሩባቤል ወዲ ሸኣልትኤልን ኣሕዋቱን፡ ከምቲ ኣብ ሕጊ ሙሴ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ እተጻሕፈ፡ ኣብ ልዕሊኡ ዝሓርር መስዋእቲ ከቕርበሉ ተንሲኦም መሰውኢ ኣምላኽ እስራኤል ሰርሑ።3ነቲ መሰውኢ ኸኣ ኣብታ ቦትኡ ኣንበርዎ። በቶም ኣብ ከባቢኦም ዘለው ህዝብታት እታ ሃገር ተሸቢሮም ነበሩ እሞ፡ ንእግዚኣብሄር ዝሓርር መስዋእቲ ኣብ ልዕሊኡ ኣዕረጉ፡ ብጊሓት ምሸትን ኣዕረጉ።4ከምቲ ጽሑፍ ድማ በዓል ዳስ ኣብዓሉ፡ ከምቲ ነንመዓልቲ እተመደበ ቑጽሪ፡ መዓልቲ ንመዓልቲ ዝሓርር መስዋእቲ ኣዕሪጉ።5ድሕርዚ ድማ እቲ ንእግዚኣብሄር ፈትዮም ዝስውእዎን ኣዕረጉ።6ካብታ ሳብዐይቲ ወርሒ፡ ብቐዳመይቲ መዓልቲ፡ እቲ ንእግዚኣብሄር ዝሓርር መስዋእቲ ኸዕርጉ ጀመሩ። መቕደስ እግዚኣብሄር ግና ኣይተመስረተን ነበረ።7ንወቐርቲ እምንን ንጸረብቲ ዕጨይትን ድማ፡ ከምቲ ቂሮስ ንጉስ ፋርስ ዝኣዘዘሎም ገንዘብ ንሲዶናውያናን ንጢሮሳውያንን ዕጨይቲ ቄድሮስ ካብ ሊባኖስ ብባሕሪ ናብ ያፎ ምእንቲ ኸምጽኡሎም፡ መብልዕን መስተን ዘይትን ሃቡ።
8ናብታ ኣብ የሩሳሌም ዘላ ቤት ኣምላኽ ካብ ዝመጹ ኸኣ ኣብ ካልኣይቲ ዓመት ኣብታ ኻልኣይቲ ወርሒ ዘሩባቤል ወዲ ሸኣልትኤልን እያሱ ወዲ ዮጻዳቅን እቶም ዝተረፉ ኣሕዋቶም ካህናትን ሌዋውያን እቶም ካብ ምርኮ ናብ የሩሳሌም ዝመጹ ኹላቶምን ኮይኖም ቤት እግዚኣብሄር ከሰርሑ ጀመሩ። ንሌዋውያን ከኣ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ንዕዮ ቤት እግዚኣብሄር ክሕልው ኣቖምዎም።9ሽዑ እያሱ ምስ ደቁን ኣሕዋቱን፡ ቃድሚኤልን ደቁን፡ ደቂ ይሁዳ፡ ደቂ ሔናዳድ ከኣ ምስ ደቆምን ምስ ኣሕዋቶምን ሌዋውያን ኮይኖም፡ ነቶም ዕዮ ቤት ኣምላኽ ዝዓዩ ኽሕልው ኸም ሓደ ሰብ ኮይኖም ደው በሉ።
10እቶም ሃነጽቲ መቕደስ እግዚኣብሄር ክስርቱ ኸለው ኸኣ እቶም ካህናት ድማ ለቢሶም መለኸት ሒዞም፡ ሌዋውያን ደቂ ኣሳፍ ከኣ ጸናጽል ሒዞም፡ ከምቲ ስርዓት ዳዊት ንጉስ እስራኤል ንእግዚኣብሄር ከመስግኑ ደው ኢሎም ነበሩ።11ንሱ ሕያዋይ እዩ እሞ፡ ምሕረቱ ኸኣ ኣብ እስራኤል ንዘለኣለም እዩ፡ እናበሉ ንሓድሕዶም እናተቓባበሉ ንእግዚኣብሄር ብመዝሙር ኣኽበርዎን ወደስዎን። እቶም ህዝቢ ኹላቶም ኸኣ፡ ቤት እግዚኣብሄር ስለ ዝተሰረተ፡ ዓው ኢሎም እልል እናበሉ ንእግዚኣብሄር ኣመስገኑ።
12ብዙሓት ካብቶም ካህናትን ሌዋውያንን ንዋናታት ማይ ቤት ኣቦታትን ነቲ ቐዳማይ ቤት ዝረአዩ ኣረገውቲ ኸኣ፡ እዛ ቤት እዚኣ ኣብ ቅድሚኦም ምስ ተሰረተት፡ ዓው ኢሎም በኸዩ። ብዙሓት ሰባት ድማ ብታሕጓስ ዓው ኢሎም ይጭድሩ ነበሩ።13እቲ ህዝቢ ብሓጎስ ዓው ኢሉ ይጭድር ነበረ፡ እቲ ድምጺ ኸኣ ክሳዕ ርሑቕ ይስማዕ ነበረ፡ እሞ እቲ ህዝቢ ነቲ ድምጺ ጭድርታ ሓጎስ ካብ ድምጺ ብኽያት እቲ ህዝቢ ኽፈልዩ ኣይከኣለን።

        መ. እዝራ  ምዕራፍ 4            

   1እቶም ጸላኣቲ ይሁዳን ብንያምን ከኣ፡ እቶም ተማሪኾም ዝነበሩ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል መቕደስ ከም ዝሰርሑሉ ምስ ሰምዑ፡2ናብ ዙሩባቤልን ናብ ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታትን ቀሪቦም፡ ንሕና ኸኣ ከማኻትኩም ኣምላኽኩም ንደሊ ኣሎና፡ ካብታ ኤሳርሓዶን ንጉስ ኣሶር ናብዚ ዘምጽኣና፡ መዓልቲ ጀሚርና ድማ ንእኡ ሰዊእና ኢና እሞ፡ ምሳኻትኩም ክንሰርሕ ንደሊ ኣሎና፡ በልዎም።3ዘሩባቤልን እያሱን እቶም ዝተረፉ ዋናታት ማይ ቤት እስራኤልን ግና፡ ንሕናስ ከምቲ ቄሮስ ንጉስ ፋርስ ዝኣዘዘና በይንና ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ደኣ ንሰርሓሉ እምበር፡ ንስኻትኩም ምሳና ዃንኩም ንኣምላኽና ቤት ክትሰርሕሉ ኣይግብኣኩምን እይ በልዎም።4ሽዑ እቶም ህዝቢ እታ ሃገር ኢድ ህዝቢ ይሁዳ ኣድከሙ፡ ከይሰርሑ ድማ ኣፈራርህዎም።5ነቲ ምኽሮም ከፍርሱ ድማ መኻሮ ተሻየጡሎም። እዚ ኸኣ ብኹሉ ዘመን ቂሮስ ንጉስ ፋርስ ክሳዕ መንግስቲ ዳርዮስ ንጉስ ፋርስ ኮነ።
6ኣሓሽዌሮሽ ምስ ነገሰ ድማ፡ ብመጀመርታ መንግስቱ ንሳቶም ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ዩዳን የሩሳሌምን ዝነብሩ ኽሲ ጸሓፉ።7ብዘመን ኣርታሕሻስታ ኸኣ ቢሻም፡ ሚትሬዳት፡ ጣብኤልን እቶም ዝተረፉ ብጾቱን ናብ ኣርታሕሻስታ ንጉስ ፋርስ ጸሓፉ። ጽሕፈት እታ ደብዳበ ኸኣ ብኣራማይስጢ ተጻሒፉ ነበረ እሞ፡ ብኣራማይስጢ ድማ ተተርጎመት።
8ረሑም እቲ ሹምን ሽምሻይ እቲ ጸሓፍን ናብ ንጉስ ኣርታሕሻስታ ኸምዚ ኢሎም ኣንጻር የሩሳሌም ደብዳበ ጸሓፉ፡ — 9ሽዑ ረሑ እቲ ሹምን ሽምሻይ ጸሓፍን እቶም ዝተረፉ ብጾቶም ዲናውያንን ኣፋርሳትካውያንን ጣርጳላውያንን ኣፋርሳውያንን ኣርካውያንን ባቢሎናውያንን ሽሻንካውያንን ዴዳውያንን ኤልማውያንን፡10እቶም እቲ ዓብይን ክቡርን ኦሰናፍር ኣግዒዙ ኣብ ከተማ ሰማርያ ዘቐመጦም ካልኦት ህዝብታትን እቶም ዝተረፉ ኣብ ስግር ክንየው ርባን፡ … ወዘተ፡ ኮይኖም ጸሓፉ።—
11ቅዳሕ እታ ናብ ንጉስ ኣርታሕሻስታ ዝሰደድዋ ደብዳበ እዚ እዩ፡ እቶም ሰብ ስግር ክንየው ርባ ባሮትካ፡ ወዘተ…
12እቶም ካባኻ ዝደየቡ ኣይሁድ፡ ናባና ኣብ የሩሳሌም ከም ዝመጹ እሞ ነታ ዓለወኛን ክፍእትን ከተማ ይሰርሕዋ ኸም ዘለው፡ መካበብያኣ ኸኣ ከም ዝፈጸሙ መሰረታ ድማ ከም ዘጽንዑ፡ ንጉስ ይፍለጥ።13ሕጂ ኸኣ እዛ ኸተማ እዚኣ እተን ተሰሪሓ፡ መከባቢኣውን እንተ ተሓዲሱ፡ ግብርን ፈሰስን ተጎን ከም ዘይህቡ እሞ፡ መዝገብ ንጉስ ከም ዝጉዳእ፡ ንጉስ ይፍለጥ።14እምበኣርሲ ንሕና ጨው ቤት ንጉስ ካብ እንበልዕ፡ ጉድኣት ንጉስ ስቕ ኢልና ኽንርኢ ዘይግብኣና እዩ፡ ስለዚ ልኢኽና ንንጉስ ኣፍለጥናዮ።15ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ኣቦታትካ ይመርምሩ፡ እዛ ኸተማ እዚኣ ዓላዊት ከተማ ኸም ዝኾነት፡ ንነገስታትን ንኣውራጃታትን ከም ዝጎድአት፡ ካብ ጥንቲ ኸኣ ኣብኣ ዕግርግር ከም ዝገበሩ፡ ኣብቲ መጽሓፍ ዛንታ ኽትረኽቦን ክትፈልጦን ኢኻ። ብእኡ ምኽንያት ድማ እዛ ኸተማ እዚኣ ፈረሰት።16እዛ ኸተማ እዚኣ እንተ ደኣ ተሰሪሓ፡ መከባብያኦ ኸኣ እንተ ተሓዲሱ፡ ስግር ክንየው ርባ ኽፍሊ ኸም ዘይብልካ፡ ንንጉስ ንነግር ኣሎና።
17ንጉስ ኣብ ረሑም ሹምን ኣብ ሺምሻይ ጸሓፍን ኣብቶ ኣብ ሰማርያን ኣብ ካልእን ኣብ ስግር ክንየው ርባ ዝተረፉ ብጾቶምን ከምዚ ኢሉ ምላሽ ሰደደ፡ ሰላም፡ ወዘተ…18እታ ናባና ዝሰደድኩዋ ደብዳበ ብግልጺ ኣብ ቅድመይ ተነቢቡ።19ኣነ ድማ ክምርምሩ ኣዘዝኩ። መርመሩ እሞ፡ እታ ኸተማ ኻብ ጥንቲ ጀሚሩ ኣብ ነገስታት ከም ዝተንስአት፡ ኣብኣ ድማ ሽፍትነትን ህውከትን ከም እተገብረ ተረኸበ።20ኣብ የሩሳሌም ከኣ ንስግር ርባ ዝነብረ ኹሉ ሃገር ዝገዝኡ ሓያላት ነገስታት ነበሩ፡ ግብርን ፈሰስን ተጎን ከኣ ንኣታቶም ይወሃብ ነበረ።21እምበኣርሲ ኻባይ ትእዛዝ ክሳዕ ዝወሃብ፡ እቶም ሰባት ስራሕ ክሓድጉ፡ እታ ኸተማ ኸኣኣ ከይትስራሕ፡ ኣዝዙ።22በዚ ነገር እዚ ሸለል ከይትብሉ ተጠንቀቑ። ስለምንታይ እቲ ንነገስታት ዝጎድእ ክፉእ እናበዝሐ ዝኸይድ።
23እታ ቕዳሕ ደብዳበ ንጉስ ኣርታሕሻስታ ናብ ቅድሚ ረሑምን ሽምሻይ ጸሓፍን ኣብ ቅድሚ እቶም ብጾቶምን ምስ ተነበት፡ ቀልጢፎም ናብ የሩሳሌም ናብቶም ኣይሁድ ከዱ እሞ፡ ብቕልጽምን ብሓይልን ካብ ምዕያይ ኣብኮርዎም።24ሽዑ ዕዮ እታ ኣብ የሩሳሌም ዘላ ቤት እግዚኣብሄር በኾረ፡ ክሳዕ እታ ኻልኣይቲ ዓመት መንግስቱ ንዳርዮስ ንጉስ ፋርስ ከኣ በኾረ።

        መ. እዝራ  ምዕራፍ 5            

   1እቶም ነብያት ከኣ፡ ነብዩ ሃጌን ዘካርያስ ወዲ ዒዶን ነቶም ኣብ ዩዳን ኣብ የሩሳሌምን ዝነብሩ ኣይሁድ፡ ንኣታቶም ብስም ኣምላኽ እስራኤል ተነበዮሎም።2ሽዑ ዘሩባቤል ወዲ ሸኣልትአልን እያሱ ወዲ ዮጻድቅን ተንስኡ፡ ኣብ የሩሳሌም ቤት ኣምላኽ ክሰርሑ ኸኣ ጀመሩ። ምሳታቶም ኮይኖም ድማ ነብያት ኣምላኽ ይድግፍዎም ነበሩ።
3በቲ ግዜ እቲ ኣብ ስግር ክንይወ ርባ መስፍን ዝነበረ ታትናይን ሽታርቦዝናይን እቶም ብጾቶምን መጺኦም ከምዚ በልዎም፡ ነዛ ቤት እዚኣ ኽትሰርሕዋ፡ ነዚ መካበብያ እዚውን ክትሕድሱ መን ኣዘዘኩም፡4ሽዑ ኸምቲ ዝኾነ ጊርና ስም እቶም ነዚ ዕዮ እዚ ዝዓየዩ ሰባት ነገርናዮም።5ዓይኒ ኣምላኾም ግና ኣብቶም ዓበይቲ ኣይሁድ ነበረት እሞ፡ እዚ ነገር እዚ ዳርዮስ ክሳዕ ዝነግሩን ምላሹ ድማ ብዛዕባኡ ደብዳበ ኽሳዕ ዝመጽእን፡ ነቲ ዕዮ ኣየብኮርዎምን።
6እቲ መስፍን ስግር ክንየው ርባ ታትናይን ሽታርቦዝናይን እቶም ስግር ክንየው ርባ ዝነብሩ ብጾቶም ኣፍሳካውያንን ናብ ንጉስ ዳርዮስ ዝሰደድዋ ደብዳበ፡ ቅዳሓ እዚ እዩ።7ናብኡ ደብዳበ ሰደዱ፡ ኣብኣ ኸኣ ከምዚ ተጸሒፉ ነበረ፡ ኩሉ ሰላም ንንጉስ ዳርዮስ።8ንሕና ኣብ ግዝኣት ይሁዳ ናብ ቤት እቲ ዓብዩ ኣምላኽ ከም ዝኸድና፡ ንጉስ ይፍለጥ። ንሳ ኸኣ ብኣርባዕተ ዝመኣዝኑ ኣእማን ትንደቕ ኣላ። ኣብ መናድቓ ድማ ኣዕጻው ይግበሮ ኣሎ። እዚ ዕዮ እዚ ብጥንቃቐ ይዕየ፡ ኣብ ኣእዳዎም ከኣ ይሰልጠሎም ኣሎ። ሽዑ ነቶም ዓበይቲ፡ ነዛ ቤት እዚኣ ኽትሰርሑ፡ ነዚ መከባብያዊ እዚውን ክትሕድሱ፡ መን ኣዘዘኩም፡ ኢልና ጠየቕናዮም።9ሽዑ ነቶም ዓበይቲ፡ ነዛ ቤት እዚኣ ኽትሰርሑ፡ ነዚ መካበብያ እዚውን ክትሕድሱ፡ መን ኣዘዘኩም ኢልና ጠየቕናዮም።10ስም እቶም ኣብ ልዕሊኦም ዘለው ሰባት ምእንቲ ኽንጽሕፍ ኸነፍልጠካ ኢልና፡ ስሞም ሓተትናዮም።11እቲ ዝመለሱልና ቓል ከኣ እዚ እዩ፡ ንሕና ባሮት እቲ ኣምላኽ ሰማይን ምድርን ኢና። ቅድሚ ብዙሕ ዓመታት ተሰሪሓ ዝነበረት፡ ሓደ ዓብዩ ንጉስ እስራኤል ሰሪሑ አእኪልዋ ዝነበረ ቤት ድማ ንሰርሕ ኣሎና።12ኣቦታትና ነቲ ናይ ሰማይ ኣምላኽ ምስ ኣኾረይዎ ግና፡ ኣብ ኢድ እቲ ከለዳዊ ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ኣሓሊፉ ሃቦም። ንሱ ኸኣ ነዛ ቤት እዚኣ ኣፍረሳ፡ ነቲ ህዝቢ ድማ ናብ ባቢሎን ማረኾ።13ንቂሮስ ንጉስ ባቢሎን ኣብ መጀመርታ ዓመቱ ግና እዛ ቤት ኣምላኽ ክትሰራሕ ንጉስ ቄሮስ ኣዘዘ።14እቲ ናይ ቤት ኣምላኽ ኣቓሑ ወርቅን ብሩርን ነቡካድነጽር ካብቲ ኣብ የሩሳሌም ዘሎ መቕደስ ወሲዱ፡ ናብ መቕደስ ባቢሎን ዘግዓዞ፡ ንጉስ ቂሮስ ካብ መቕደስ ባቢሎን ኣውጺኡ ሸሽባጻር ንዝብሃል መስፍን ገይርዎ ዝነበረ ሃቦ።15እዚ ኣቓሑ እዚ ውሰድ እሞ ኪድ ኣብታ ኣብ የሩሳሌም ዘላ መቕደስ ኣንብሮ፡ እታ ቤት ኣምላኽ ድማ ኣብታ ቦታኣ ትሰራሕ በሎ።16ሽዑ ሽሽባጻር መጺኡ ነታ ኣብ የሩሳሌም ዘላ ቤት ኣምላኽ ሰረታ። ካብ ሽዑ ጀሚራ ኸኣ ክሳዕ ሕጂ ትስራሕ ኣላ፡ ገና ድማ ኣይተፈጸመትን።17እምበኣር ንንጉስ ከምዚ እንተ ደኣ ባህ ኣቢልዎስ፡ እዛ ኣብ የሩሳሌም ዘላ ቤት ኣምላኽና ክትስራሕ፡ ካብ ንጉስ ቂሮስ ተኣዚዙ እንተ ደኣ ኾይኑ፡ ኣብቲ ኣብ ባቢሎን ዘሎ ቤት መዝገብ ንጉስ ይድለ፡ ብዛዕባ እዚ ነገር እዚ ኸኣ ንጉስ ፍቓዱ ይልኣኸልና።

        መ. እዝራ  ምዕራፍ 6            

   1ሽዑ ንጉስ ዳርዮስ ኣብታ ኣብ ባቢሎን ምዛግብቲ ተነቢርዋ ዝነበረት ቤት መጻሕፍቲ ኽደልዩ ኣዘዘ።2ኣብ ኣሕመታ ኣብቲ ኣብ ግዝኣት ሜዶን ዘሎ ኣደራሽ እዚ ነገር እዚ ንመዘከርታ እተጻሕፎ ሓደ ኽታብ ተረኽበ።
3ብቐዳመይቲ ዓመት ንጉስ ቂሮስ፡ ንጉስ ቂሮስ እዚ ትእዛዝ እዚ ኣዘዘ፡ እታ ኣብ የሩሳሌም ዘላ ቤት ኣምላኽ፡ እታ መስዋእቲ ዝስውኡላ ቦታ፡ እታ ቤት ትሰራሕ፡ መሰረታ ጽኑዕ ይኹን። ቁመታ ስሳ እመት፡ ምግፍሓ ኸኣ ስሳ እመት፡4ኣርባዕተ ዝመኣዝኑ ኣእማን ሰለስተ መስርዕ፡ ሓደ መስርዕ ድማ ሓድሽ ዕጨይቲ ይኹን። ዋጋኡ ግን ካብ ቤተ ንጉስ ይከፈል።5እቲ ናይ ቤት ኣምላኽ ኣቓሑ ወርቅን ብሩርን ነቡክነጻር ካብ መቕደስ የሩሳሌም ወሲዱ ናብ ባቢሎን ዘምጽኦ ኸኣ፡ ኣብ መቕደስ የሩሳሌም ናብ ቦትኡ ይመለስ፡ ኣብ ቤት ኣምላኽ ድማ ኣንብሮ።
6እምበኣር ኣታ ታትናይ መስፍን ስግር ክንየው ርባ፡ ንስኻ ሽታርቦዝናይ ንስኻትኩም ከኣ ብጾቶም ሰብ ኣፍርሳክ፡ ስግር ክንየው ርባ ዘሎኹም፡ ካብኡ ርሓቑ።7እቲ ዕዮ ቤት ኣምላኽ ይተዓየ ሕደግዎ፡ እቲ ገዛኢ ኣይሁድን እቶም ዓበይትን ኣይሁድን ነታ ቤት ኣምላኽ ኣብ ቦታኣ ይስርሕዋ።
8ነቶም ዓበይቲ ኣይሁድ ክትግብረሎም ዝግባእ፡ እቲ ቤት ኣምላኽ ምእንቲ ኽሰርሑ፡ እቲ ዕዮውን ምእንቲ ኸይበኩርሲ፡ እቲ ዝኸፈል ካብቲ ኻብ ክንየው ርባ ዝወጸ ግብሪ፡ ካብ ገንዘብ ንጉስ ነቶም ሰባት ክወሃብ ኣዘዝኩ።9-10ንኣምላኽ ሰማይ ጥዑም ጨና ምእንቲ ኸቕርቡሉን ምእንቲ ህይወት ንጉስን ደቁን ከኣ ክጽልዩሉስ፡ ኩሉ ዘድሊ ነገር ንኣምላኽ ሰማይ ዝሓርር መስዋእቲ ዝራብዓትን ደዓውልን ገናሽልን ስርናይን ጨውን ወይንን ዘይትን፡ እትም ኣብ የሩሳሌም ዘለው ኻህናት ዝበሉኹም ኩሉ ነንመዓልቲ ኸየብኮርኩም ሃብዎም።11ነዚ ትእዛዝ እዚ ዝለወጠ ዘበለ ሰብ ድማ ካብ ቤቱ ጉንዲ ይውሰዱ እሞ ተኺሎም ኣብኡ ይሸንክርዎ፡ በዚ ምኽንያት ድማ ቤቱ ጎዱፍ ክትከውን ኣዚዘ ኣሎኹ።12ነዚ ኽልውጥን ነታ ኣብ የሩሳሌም ዘላ ቤት ኣምላኽ ከፍርሳን ኢሉ ኢዱ ዝዝርግሕ ዘበለ ንጉስን ህዝብን ድማ፡ እቲ ስሙ ኣብኣ ዘሕደረ ኣምላኽ የጥፍኣዮ። ኣነ ዳርዮስ ኣዘዝኩ፡ ብጥንቃቐ ይግበርዎ።
13ሽዑ ታትናይ፡ እቲ መስፍን ስግር ክንየው ርባን፡ ሽታርቦዝናይን እቶም ብጾቶምን፡ ንጉስ ዳርዮስ ልኢኹ ስለ ዝኣዘዘ፡ ብጥንቃቐ ገበርዎ።14እቶም ዓበይቲ ኣይሁድ ከኣ ሰርሑ፡ ከምቲ ትእዛዝ ኣምላኽ እስራኤልን ከምቲ ትእዛዝ ቂሮስን ዳርዮስን ኣርታሕሻስታ ንጉስ ፋርስን ብትንቢት ነብዩ ሃጌን ዘካርያስ ወዲ ዒዶን ተደጊፎም ቀኒዑሎም ዓይዮም ፈጸምዎ።15እታ ቤት ድማ ብሳድሰይቲ ዓመት መንግስቱ ንዳርዮስ፡ ካብ ወርሒ ኣዳር ብሳልሰይቲ መዓልቲ ተፈጸመት።16ደቂ እስራኤል፡ ካህናትን ሌዋውያንን ኩሎም እቶም ዝተረፉ ኻልኦት ምሩኻትን ኮይኖም፡ ነቲ ምቕዳስ ቤት ኣምላኽ ተሓጎሶም ኣብዓልዎ።17ንምቕዳስ እታ ቤት ኣምላኽ ከኣ ሚእቲ ዝራብዕ፡ ክልተ ሚእቲ ድዑል፡ ኣርባዕተ ሚእቲ ገንሸል፡ ከም ቁጽሪ እቶም ነገዳት እስራኤል ድማ ንኹላቶም እስራኤል ንመስዋእቲ ሓጢኣት ዓሰርተው ክልተ ድቤላ ኣቕረቡ።18ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ሙሴ ተጽሒፉ ዘሎ ኸኣ፡ ካህናት በብስርዓቶም፡ ሌዋውያን በብኽፍሎም፡ ኣብ የሩሳሌም ንኣምላኽ ከገልግሉ ኣቖሙ።
19እቶ ካብ ምርኮ እተመልሱ ኸኣ ካብታ ቐዳመይቲ ወርሒ ብመበል ዓሰርተው ኣርባዕተ መዓልቲ ፋሲጋ ኣብዓሉ።20ካህናትን ሌዋውያንን ከም ሓደ ሰብ ኮይኖም፡ ነጺሆም ነበሩ እሞ፡ ኩላቶም ነጽሁ። ነቶም ካብ ምርኮ እተመልሱ ኹላቶም ነሕዋቶም ካህናትን ንርእሶምን ፋስጋ ሓረዱ።21እቶም ካብ ምርኮ እተመልሱ ደቂ እስራኤልን እቶም ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ክደልዩ ኻብ ርኽሰት ህዝቢ እታ ሃገር እተፈልዩ ኹላቶምን በልዑ።22እግዚኣብሄርሲ ቤት ኣምላኽ፡ ቤት ኣምላኽ እስራኤል፡ ንምስራሕ ኣእዳዎም ከጽንዕ ኢሉ፡ ንልቢ ንጉስ ኣሶር ናባታቶም ብምምላሱ ኣሐጎስዎም እዩ እሞ፡ በዓል ቅጫ ሾብዓተ መዓልቲ ብሓጎስ ኣብዓሉ።

        መ. እዝራ  ምዕራፍ 7            

   1ድሕሪ እዚ ነገር እዚ ኸኣ ብመንግስቲ ኣርታሕሻስታ ንጉስ ፋርስ እዝራ ወዲ ሰራያ፡ ወዲ ኣዛርያ ወዲ ሒልቂያ፡2ወዲ ሻሎም፡ ወዲ ጻዶቅ፡ ወዲ ኣሒጡብ፡3ወዲ ኣማርያ፡ ወዲ ኣዛርያ ወዲ መርዮት፡4ወዲ ዘራሕያ፡ ወዲ ዑዚ፡ ወዲ ቡቂ፡5ወዲ ኣቢሺዓ፡ ወዳ ፊንሃስ፡ ወዲ አልዓዛር፡ ወዲ ኣሮን ሊቀ ኻህናት፡6እዚ እዝራ እዚ ኻብ ባቢሎን ደየበ። ንሱ ኣብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ዝሃቦ ሕጊ ሙሴ ፍጡን ጸሓፊ ነበረ። ኢድ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ድማ ምስኡ ነበረት እሞ ዝደለዮ ኹሉ ንጉስ ሃቦ።7ካብ ደቂ እስራኤልን ካብ ካህናትን ካብ ሌዋውያንን ካብ ዘመርትን ካብ ኣጋፈርትን ካብ ነቲኒምን ከኣ ብሳብዐይቲ ዓመቱ ንንጉስ ኣርታሕሻስታ ምስኡ ናብ የሩሳሌም ደየቡ።8ኣብታ ሳብዐይቲ ዓመት ንጉስ፡ ኣብ ሓምሰይቲ ወርሒ ናብ የሩሳሌም መጸ።9ካብ ቀዳመይቲ ወርሒ ብቐዳመይቲ መዓልቲ ኻብ ባቢሎን ክድይቡ ጀመሩ፡ እታ ሕያወይቲ ኢድ ኣምላኹ ምስኡ ስለ ዝነበረት፡ በታ ሓምሰይቲ ወርሒ ብቐዳመይቲ መዓልቲ ናብ የሩሳሌም መጸ።10እዝራ ሕጊ እግዚኣብሄር ንምምርማርን ንምግባርን፡ ስርዓትን ፍርድን ከኣ ኣብ እስራኤል ክምህርንሲ ልቡ ኣዳለወ።
11ንጉስ ኣርታሕሻስታ ንእዝራ እቲ ኻህን እቲ ኻብ እግዚኣብሄር ንእስራኤል እተዋህበ ትእዛዛትን ሕጋጋትን ዝጽሕፍ ጸሓፊ፡ ዝሃቦ ደብዳበ ቅዳሓ እዚ እዩ።
12ካብ ኣርታሕሻስታ ንጉስ ነገስታት፡ ንእዝራ ኻህን፡ ፈላጥ ጸሓፊ ሕጊ ኣምላኽ ሰማይ ሰላም፡ ወዘተ…13ካብ ህዝቢ እስራኤልን ካብ ካህናቶምን ካብ ሌዋውያንን ናብ የሩሳሌም ክኸይድ ዝደሊ ኣብ መንግስተይ ዘሎ ኹሉ፡ ምሳኻ ይኺድ። ኢለ ኣዚዘ ኣሎኹ።14-16በቲ ኣብ ኢድካ ዘሎ ሕጊ ኣምላኽካ፡ ንይሁዳን ንየሩሳሌምን ክትምርምር፡ እቲ ንጉስን መማኽርቱን ነቲ ኣብ የሩሳሌም ዝነብር ኣምላኽ እስራኤል፡ ብፍቓዶም ዝህብዎ ብሩርን ወርቅን ነቲ ኣብ ብዘላ ሃገር ባቢሎን ዝረኸብካዮ ኹሉ ብሩርን ወርቅን ድማ ምስቲ ኻብ ህዝብን ካብ ካህናትን ብፍታው እተወፈየ ህያብ፡ ነቲ ኣብ የሩሳሌም ዘላ ቤት ኣምላኾም ፈትዮም ዘቕረብዎ ፈትዮም ዘቕረብዎ ኽትወስድ፡ ካብ ንጉስን ካብቶም ሾብዓተ መማኽርቱን ተላኢኽካ ኢኻ።17ሕጂ ድማ በዚ ገንዘብ እዚ ጌርኩም ዝራብዓትን ደዓውልን ገናሽልን ምስቲ መስዋእቲ ብልዖምን መስዋእቲ መስቲኦምን ተጊህካ ተሻየጥ እሞ ኣብታ ኣብ የሩሳሌም ዘላ መሰውኢ ቤት ኣምላኽኩም ኣቕርቦ።
18በቲ ዝተረፈ ብሩርን ወርቅን ከኣ ንኣኻን ነሕዋትካን ቅኑዕ ኮይኑ እተራእየካ፡ ከም ፍቓድ ኣምላኽኩም ግበርዎ።19እቲ ንምግልጋል ቤት ኣምላኽካ እተዋህበካ ኣቓሑ ድማ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ የሩሳሌም ሃብ።20ንቤት ኣምላኽካ ዘድሊ ኽትህብ ዝግብኣካ ኻልእ ነገር ከኣ ካብ ቤት መዝገን ንጉስ ሃቦ።21-22ኣነ ንጉስ ኣርታሕሻስታ ድማ ነቶም ስግር ክንየው ርባ ዘለው ኹሎም ተሓዝቲ መዛግብሪ ኣዘዝኩ፡ እዝራ ኻህን፡ እቲ ጸሓፍ ሕጊ ኣምላኽ ሰማይ፡ ካባኻትኩም ዝደልዮ ዘበለ ኽሳዕ ሚእቲ ታለንት ብሩርን ክሳዕ ሚእቲ ቆሮስ ስርናይን ክሳዕ ሚእቲ ባት ወይንን ክሳዕ ሚእቲ በት ዘይትን፡ ጨው ከኣ ብዘይ ስፍሪ ተጊህኩም ሃብዎ።23እቲ ኣምላኽ ሰማይ ዝኣዘዞ ዘበለ ንቤት ኣምላኽ ሰማይ ብጥንቃቐ ይወሃብ። ስለምንታይ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ንጉስን ኣብ ልዕሊ ደቁን ቁጥዓ ዝመጽእ።
24ንኹሎም ካህናትን ሌዋውያንን ዘመርትን ኣጋፈርትን ነቲኒምን ነዚ ቤት ኣምላኽ ዘገልግሉን ድማ፡ ገለ ግብርን ፈሰስን ተጎን ክወድቆም ከም ዘይግባእ ነፍልጠኩም ኣሎና።
25ንስኻ እዝራ ድማ፡ ከም መጠን እቲ ኣብ ኢድካ ዘሎ ጥበብ ኣምላኽካ ነቲ ኽንየው ርባ ዘሎ ኹሉ ህዝቢ ዝዳንዩ፡ እቶም ሕጊ ኣምላኽካ ዝፈልጡ ኹላቶም ፈረድትን ዳኛታትን ግበረሎም። ነቲ ሕጊ ዘይፈልጥ ከኣ ምሃርዎ።26ንሕጊ ኣምላኽካን ሕጊ ንጉስን ዘይገብሮ ኸኣ ውይ ንሞት ወይ ንስደት ወይ ንዕዳ ብገንዘብ ወይ ብማእሰርቲ ብቕልጡፍ ይፈረዶ።
27-28ነታ ኣብ የሩሳሌም ዘላ ቤት እግዚኣብሄር ከኽብር ኢሉ ኸምዚ ዝበለ ነገር ኣብ ልቢ ንጉስ ዝገበረ፡ ንኣይ ድማ ኣብ ቅድሚ ንጉስን መማኽርቱን ኣብ ኩላቶም ሓያላት ሓላቑ ንጉስን ምሕረት ዝገበረለይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትና ይመስገን። ኣነ ኸኣ በታ ኣብ ልዕለይ ዘላ ኢድ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ በርታዕኩ፡ ካብ እስራኤል ድማ ምሳይ ክድይቡ ሓላቑ ኣከብኩ።

        መ. እዝራ  ምዕራፍ 8            

   1እቶም ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታት እዚኣቶም እዮም፡ እቶም ብመንግስቲ ንጉስ ኣርታሕሻስታ ኻብ ባቢሎን ምሳይ ዝደየቡ ኸኣ መጽሓፍ ወለዶኦም እዚ እዩ፡2ካብ ደቂ ፊንሃስ፡ ጌርሾም ካብ ደቂ ኢታማር፡ ዳንኤል፡ ካብ ደቂ ዳዊት፡ ሓጡሽ።3ካብ ደቂ ሽካንያ፡ ካብ ደቂ ፈርዖሽ፡ ዘካርያስ ከምቲ ጽሕፈት ወለዶኦም ከኣ ምስኡ ሚእትን ሓምሳን ተባዕታይ ተቖጽሩ።4ካብ ደቂ ጳሓትሞኣብ፡ ኤልይሆዐናይ ወዲ ዘራሕያ፡ ምስኡ ድማ ክልተ ሚእቲ ተባዕታይ።5ካብ ደቂ ሸካንያ፡ ወዲ ያሓዚኤል፡ ምስኡ ኸኣ ሰለስተ ሚእቲ ተባዕታይ።6ካብ ደቂ ዓዲን ድማ፡ ዐቤድ ወዲ ዮናታን፡ ምስኡውን ሓምሳ ተባዕታይ።7ካብ ደቂ ዐላም ከኣ፡ ይሻዕያ ወዲ ዓታልያ፡ ምስኡውን ሰብዓ ተባዕታይ።8ካብ ደቂ ሽፈጥያ ድማ፡ ዛብድያ ወዲ ሚካኤል፡ ምስኡውን ሰማንያ ተባዕታይ።9ካብ ደቂ ዮኣብ፡ ዖባድያ ወዲ የሒኤል፡ ምስኡ ድማ ክልተ ሚእትን ዓሰርተው ሾሞንተን ተባዕታይ።10ካብ ደቂ ሸሎሚት ከኣ፡ ወዲ ዮሲፍያ፡ ምስኡ ድማ ሚእትን ስሳን ተባዕታይ።11ካብ ደቂ ቤባይ ከኣ፡ ዘካርያስ ወዲ ቤባይ፡ ምስኡውን ዕስራን ሾሞንተን ተባዕታይ።12ካብ ደቂ ዓዝጋድ ድማ፡ ዮሓናን ወዲ ሃቃጣን፡ ምስኡውን ሚእትን ዓሰርተን ተባዕታይ።13ካብ ደቂ ኣዶኒቃም ድማ እቶም ዳሕሮት ስሞም እዚ እዩ፡ ኤሊፈለጥን የዒኤልን ሸማዕያን፡ ምሳታቶምውን ስሳ ተባዕታይ።14ካብ ደቂ ቢግዋይ ከኣ፡ ዑታይን ዛቡድን፡ ምሳታቶምውን ሰብዓ ተባዕታይ።
15ናብ ኣሃዋ ኣቢሉ ናብ ዝውሕዝ ርባ ድማ ኣከብክዎም ኣብኡ ሰፊርና ኸኣ ሰለስተ መዓልቲ ገበርና። ኣብ ህዝብን ኣብ ካህናትን ድማ ደሌኹ እሞ ኣብኡ ኻብ ደቂ ሌዊ ሓደ እኳ ኣይረኸብኩን።16ሽዑ ሓላቑ፡ ንአሊዐዝር፡ ንኣሪኤል፡ ንሸማዕያ፡ ንኤልናታንን ንያሪብን ንኤልናታንን ንናታንን ንዘካርያስን ንመሹላምን፡ ነቶም መምህራን ከኣ፡ ንዮያሪብን ንኤልናታንን ጸዋዕኩ።17ናብቲ ኣብ ቦታ ካሲፍያ ሓለቓ ዝነበረ፡ ናብ ኢዶ ሰደድክዎም። እቲ ነቶም ኣብ ቦታ ካሲፍያ ዝነበሩ ኢዶን ኣሕዋቱነቲኒምን ንቤት ኣምላኽ ኣገልገልቲ ምእንቲ ኽሰዱልና ኸኣ፡ ክዛረብዎ ዝግብኦም ቃላት ኣብ ኣፎም ኣንበርኩ።18ከምታ ኣብ ልዕሌና ዝነበረት ሕያወይቲ ኢድ ኣምላኽና ኸኣ፡ ካብ ደቂ ማሕሊ ኣዝዩ ብልሂ ዝነበረ ሰብኣይ፡ ወዲ ሌዊ፡ ወዲ እስራኤል፡ ሸረብያ ድማ ምስ ደቁን ኣሕዋቱን ዓሰርተው ሾሞንተ ኣምጽኡልና።19ሓሻብያ፡ ምስኡ ድማ ይሻዕያ ኻብ ደቂ መራሪ ምስ ኣሕዋቱን ደቆምን ዕስራ።20ካብ ነቲኒም ድማ ዳዊትን ሓላቑን ንሌዋውያን ከገልግሉ ዘመዘዝዎም ክልተ ሚእትን ዕስራን ነቲኒም፡ ነዚኣቶም ኩላቶም በብስሞም እተጸውዑ ሰደዱልና።21ኣነ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ርስትና ኸነዋርድ፡ ንኣናን ንሕጻናትናን ንኹሉ ጥሪትናን ቅንዕቲ መገዲ ኻብኡ ኽንልምን ኢለ፡ ኣብ ርባ ኣሃዋ ጾም ኣወጅኩ።22ንንጉስ፡ ኢድ እግዚኣብሄር ኣምላኽና፡ ንዝደልይዎ ኹላቶም ንጽቡቕ፡ ስልጣኑን ኩራኡን ግና ኣብ ልዕሊ እቶም ዝሓድግዎ ኹላቶም ከም ዝኾነት ኢልናዮ ነበርና እሞ፡ ስለዚ ኣብ መገዲ ኻብ ጸላእቲ ኸድሕኑና፡ ጭፍራን ፈረሰኛታትን ምልማን ሓንኽኩ።23ብዛዕባ እዚ ኸኣ ጾምናን ኣብ ኣምላኽና ጸሌናን፡ ንሱ ድማ ሰምዓና።
24ካብ ሊቃነ ኻህናት ከኣ ዓሰርተው ክልተ፡ ሸረብያን ሓሻብያን፡ ምሳታቶም ድማ ካብ ኣሕዋቶም ዓሰርተ ፈሌኹ።25እቲ ንጉስን መማኽርቱን ሓላቑኡን፡ እቶም ካብ እስራኤል እተረኸቡ ኹላቶምን ንቤት ኣምላኽና ዝቐደስዎ ህያቦም ብሩርን ወርቅን ኣቓሑን መዘንኩሎም።26-27ሹዱሽተ ሚእትን ሓምሳን ታለንት ብሩር፡ ኣቓሑ ብሩር ድማ ሚእቲ ታለንት ወርቂ ኸኣ ሽሕ ዳሪክ እተመዝነ፡ ክለ ጭሐሎ ድማ ከም ወርቂ ዝምኽባሩ ኻብ ጽሩይ ዘንጸባርቕ ኣስራዚ እተሰርሐ ኣቓሑ መዚነ ኣብ ኢዶም ሃብክዎም።28ንኣታቶም ድማ፡ ንስኻትኩም ንእግዚብሄር እተቐደስኩም ኢኹም፡ እዝ ኣቓሑውን ቅዱስ እዩ። እቲ ወርቅን ብሩርን ከኣ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦኣትትኩም ናይ ፍቓድ ህያብ እዩ።29ኣብ ቅድሚ ሊቃውንቲ ኻህናትን ሌዋውያንን ኣብ ቅድሚ ሓላቑ ማይ ቤት ኣቦታት እስራኤልን ኣብ የሩሳሌም ኣብቲ ኽፍልታት ቤት እግዚኣብሄር ክሳዕ እትመዝኑ ተጠንቀቑን ሓልውን፡ በልክዎም።30እቶም ካህናትን ሌዋውያንን ከኣ ናብ የሩሳሌም ናብ ቤት ኣምላኽና ኽወስድዎ ብሩርን ወርቅን ኣቓሑን ብሚዛን ተቐበሉ።
31ብቐዳመይቲ ወርሒ ብመበል ዓሰርተው ክልተ መዓልቲ ኸኣ ናብ የሩሳሌም ክንከይድ፡ ካብ ርባ ኣሃዋ ተለዓልና። ኢድ ኣምላኽና ድማ ኣብ ልዕሌና ነበረት እሞ ኣብ መገዲ ኻብ ኢድ ጸላእን ካብ ድብቕን ኣድሓነትና።32ናብ የሩሳሌም ድማ በጻሕና፡ ኣብኣ ኸኣ ሰለስተ መዓልቲ ተቐመጥና።33በታ ራብዐይቲ መዓልቲ ድማ እቲ ብሩርን ወርቅን እታ ኣቓሑን ኣብ ቤት ኣምላኽና ብኢድ መሬሞት ወዲ ኻህን ኡርያ ተመዝነ። ምስኡ ድማ ኣልኣዛር ወዲ ፊንሃስ ነበረ፡ ምሳታቶም ከኣ እቶም ሌዋውያን ዩዛበድ ወዲ እያሱ፡ ኖዓድያ ወዲ ቢኑእ ነበሩ።34ኩሉ ተቖጽረን ተመዝነን፡ በቲ ግዜ እቲ ኸኣ ኩሉ እቲ እተመዝነ ተጻሕፈ።
35እቶም ኣብ ምርኮ ነይሮም ዝመጹ ምሩኻት ንኣምላኽ እስራኤል ዝሓርር መስዋእቲ ኣቕረቡሉ፡ ዓሰርተው ክልተ ዝራብዓት ስለ ኹሎም እስራኤል፡ ተስዓን ሹዱሽተን ድዑል፡ ሰብዓን ሾብዓተን ገንሸል፡ ዓሰርተው ክልተ ድቤላ ኸኣ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ኣቕረቡ። እዚ ኹሉ ንእግዚኣብሄር ዝሓርር መስዋእቲ ነበረ።36እቲ ትእዛዝ ንጉስ ንመኳንንቲ ንጉስን ስግር ክንየው ርባ ንዝነበሩ መሳፍንትን ሃብዎም። ንሳቶም ከኣ ንህዝብን ንቤት እግዚኣብሄርን ሓገዙ።

        መ. እዝራ  ምዕራፍ 9            

   1እዚ ነገር እዚ ምስ ተወድአ ድማ፡ እቶም ሓላቑ ናባይ ቀሪቦም ከምዚ በሉ፡ ህዝቢ እስራኤልን ካህናትን ሌዋውያንሲ ኻብ ህዝብታት እታ ሃገር ኣይተፈልዩን፡ አረ ኸምቲ ናይ ከነኣናውያን፡ ናይ ሔታውያን፡ ናይ ፈረዛውያን፡ ናይ ይቡሳውያን፡ ናይ ዓሞናውያን፡ ናይ ሞኣባውያን፡ ናይ ግብጻውያን፡ ናይ ኣሞራውያን ጽያፍ ይገብሩ ኣለው።2እዚ ኸኣ ንኣታቶምን ንደቆምን ካብ ኣዋልዶም ስለ ዝወሰዱ፡ ነቲ ቅዱስ ዘርኢ ምስ ኣህዛብ እዘን ሃገራት እዚኤን ስለ ዝጸንበሩ እዩ። ነዚ ዓመጻ እዚ ዝጀመረውን ኢድ እቶም ሓላቑን መኳንንትን እዩ።
3ነዚ ነገር እዚ ምስ ሰምዑ ድማ፡ ክዳነይን ባርኖሰይን ቀደድኩ፡ ጸጉሪ ርእሰይን ጭሕመይን ከኣ ነጼኹ፡ ሓዚነ ድማ ኮፍ በልኩ።4ሽዑ እቶም ንቓል ኣምላኽ እስራኤል ዝፈርሁ ኹላቶም ብዛዕባ ዓመጻ እቶም ካብ ምርኮ እተመልሱ ናባይ ተኣከቡ። ኣነ ኸኣ ክሳዕ እቲ ናይ ምሸት መስዋእቲ ብልዒ ሓዚነ ኾፍ በልኩ።
5ብግዜ መስዋእቲ ምሸት ከኣ ምስ ቅዱድ ክዳነይ ባርኖሰይን ካብ ሓዘነየይ ተንሳእኩ። ብብርከይ ተንበርኪኸ ድማ፡ ኣእዳወይ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ዘርጋሕኩ።6በልኩ ድማ፡ ዎ ኣምላኸይ፡ በደልና ኽሳዕ ልዕሊ ርእስና በዚሑ ዓመጻና ኸኣ ክሳዕ ሰማይ ዓብዩ እዩ እሞ፡ ዎ ኣምላኸይ፡ ገጸይ ናባኻ ኸየልዕልሲ የሕፍረንን የፍርሃንን።7ንሕና ኻብ ዘመን ኣቦታትና ጀሚርና ኽሳዕ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዓብዩ ዓመጻ ኣሎና። ብዛዕባ በደልና ድማ ንሕናን ነገስታትናን ካህናትናን፡ ሎሚ ኸም ዝኾነ፡ ንሴፍን ንምርኮን ንምብዝባዝን ንምሕፋር ገጽን ክንከውን ኣብ ኢድ ነገስታት ሃገራት ተወሃብና።8ሕጂ ድማ ገለ ተረፍ ክሓድገልና ኣብታ ቅድስቲ ቦታኡ ሸኻል ክህበናን ኣምላኽና ኣዒንትና ኸብርሃልናን፡ ኣብ ባርነትና ድማ ገለ ቕሩብ ትንፋስ ክህበና፡ ካብ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኸም ቅጽበት ዓይኒ ምሕረት ኮነልና።9ንሕና ባሮት ክነስናስ፡ ቤት ኣምላኽና ኽነቕውም ነቲ ዑናኡ ኸኣ ክንሕድስ፡ ኣብ ይሁዳን ኣብ የሩሳሌምን ድማ ሓጹር ምእንቲ ኽወሃበና፡ ንሳቶም ትንፋስ ክህቡናስ ኣብ ቅድሚ ነገስታት ፋርስ ምሕረት መለሰልና እምበር፡ ኣምላኽና ኣብ ባርነትና ኣይሓደገናን።10-12ዎ ኣምላኽና፡ እታ ኽትወርስዋ እትኣትውዋ ምድሪ፡ ንሳ ጽያፍ እቶም ካብ ወሰን ክሳዕ ወሰን መሊኦምዋ ዘለው ብርኽሰት ህዝብታት እተን ሃገራት ረኺሳ እያ። እምበኣርሲ ምእንቲ ኽትጸንዑን፡ ጥዑም ፍረ እታ ምድሪ ኽትበልዑን፡ ደቅኹም ከኣ ንዘለኣለም ክወርስዋንሲ ሕጂ ኣዋልድኩም ነወዳቶም ኣይትሃቡ። ኣዋልዶም ከኣ ነወዳትኩም ኣይትውሰዱ። ንሓዋሩ ሰላሞምን ደሓኖምን ኣይትድለዩ፡ ኢልካ ብባሮትካ ነብያት ዝኣዘዝካዮ ትእዛዛትካ ሓዲግና ኢና እሞ፡ ሕጂኸ ድሕሪ እዚ እንታይ ክንብል ኢና፡13እቲ ብድሕሪ ብሰሪ ኽፉእ ግብርናን ብሰሪ እቲ ዓብዩ ዓመጽናን ዝረኸበና ኹሉ ነገር፡ ንስኻ ድማ፡ ዎ ኣምላኽና፡ ከም በደልና ኻብ ዘይቀዘፍካና፡ ከምዚ ዝበለ ተረፍ ከኣ ዝሃብካናስ፡14መሊስናዶ ትእዛዛትካ ኣፍሪስና ምስ እዞም ጽያፍ ዝገብሩ ኣህዛብ ክንዋሰብ ኢና፡ ዝተርፍን ዝመልቑን ዘየልቦ ኽሳዕ እንውዳእዶ እዩ ቑጥዓኻ ኣብ ልዕሌና ኣይምነደደን፡15ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፡ ንስኻ ጻድቕ ኢኻ፡ ከምቲ ሎሚ መዓልቲ ኾይንዎ ዘሎ፡ ዘምለጥና ተረፍ ኢና እሞ እኔና፡ ኣብ ቅድሜኻ ምስ ዓመጽና፡ በዚ ምኽንያት እዚ ኣብ ቅድሜኻ ደው ዝብል የልቦን።

        መ. እዝራ  ምዕራፍ 10   

   1እዝራ እናጸለየን እናተናዘዘን እናበኸየን፡ ኣብ ቅድሚ ቤት ኣምላኽ ብገጹ ወዲቑ ኸሎ፡ ካብ እስራኤል ኣዝዩ ብዙሕ ኣኼባ፡ ሰብኡትን ኣንስትን ቀለውዕን ናብኡ ተኣከበ። እቲ ህዝቢ ኸ ብርቱዕ ብኽያት በኸየ።2ካብ ደቂ ዐላም ሸካንያ ወዲ የሔኤል ንእዝራ ኸምዚ ኢሉ መለሰሉ፡ ንሕና ኻብቶም ህዝብታት እታ ሃገር ጓኖት ኣንስቲ ብምእታውና ንኣምላኽና በደልና። ሕጂ ኸኣ በዚ ነገር እዚ ንእስራኤል ገና ተስፋ ኣሎ።3እምበኣርሲ ሕጂ ኸም ምኽሪ ጐይታይን እቶም ንትእዛዝ እግዚኣብሄር ዝፈርሁን፡ ከምቲ ሕጊ ድማ ክግበርን ንኹለን ኣንስትን እቶም ካባታተን ኣተወልዱን ክንሰደድ፡ ምስ ኣምላኽና ኪዳን ንኣቱ።4እዚ ነገር እዚ ተግባርካ እዩ እሞ ተንስእ፡ ተቢዕካ ግበሮ ንሕናውን ምሳኻ ኢና።
5ሽዑ ኸኣ እዝራ ተንሲኡ ንሊቃውንቲ ኻህናትን ንሌዋውያንን ንኹላቶም እስራኤልን ከምዚ ነገር እዚ ኽገብሩ ኣምሓሎም፡ ንሳቶም ከኣ መሓሉ።6እዝራ ድማ ካብ ቅድሚ ቤት ኣምላኽ ተንሲኡ፡ ናብ ክፍሊ ቤት ዮሓናን ወዲ ኤልያሺብ ከደ። ናብኡ ኸይዱ ኸኣ ብዛዕባ በደል እቶም ኣብ ምርኮ ዝነበሩ ይጉሂ ነበረ እሞ እንጌራ ኣይበልዐን ማይ ኣይሰተየን።7እቶም ደቂ ምርኮ ኹሎም ናብ የሩሳሌም ክእከቡ ድማ ኣብ ዩዳን ኣብ የሩሳሌምን ኣዋጅ ኣወጁ።8ከም ምኽሪ እቶም ሓለቓታትን ዓበይትን ክሳዕ ሰለስተ መዓልቲ ዘይመጸ ዘበለ፡ ገንዘቡ ይወረስ፡ ንሱ ድማ ካብ ማሕበር እቶም ካብ ምርኮ ዝወጹ ይፈለ።
9በተን ሰለስተ መዓልቲ ድማ ኩሎም ሰብ ይሁዳን ብንያምን ናብ የሩሳሌም ተኣከቡ። ንሳ ኻብታ ታስዐይቲ ወርሒ መበል ዕስራ መዓልቲ ነበረት። ኩሎም እቶም ህዝቢ በዚ ነገር እዝን በቲ ብርቱዕ ዝናምን እናኣንቀጥቀጡ ኣብ ኣጸድ ቤት ኣምላኽ ኮፍ ኢሎም ነበሩ።10እዝራ ኻህን ከኣ ብድድ ኢሉ፡ ንስኻትኩም ንዓመጽ እስራኤል ከተብዝሑ፡ ጓኖት ኣንስቲ ብምእታኩም በደልኩም።11ሕጂ ኸኣ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦኣታትኩ ተናዘዙ፡ ፍቓዱውን ግበሩ፡ ካብ ህዝብታት እዛ ሃገርን ካብተን ጓኖት ኣንስትን ተፈለዩ በሎም።
12ሽዑ ኹሎም እቶም ኣኼባ ቓሎም ዓው ኣቢሎም ከምዚ ኢሎም መለሱ፡ ሕራይ ከምቲ ዝበልካና ኽንገብር ይግብኣና ኢዩ።13እቲ ህዝቢ ግና ብዙሕ እዩ፡ ጊዚኡ ግዜ ዝናም እዩ እሞ ኣብ ግዳም ደው ክንብል ኣይንኽእልን። በዚ ነገር እዚ ኣዚና በዲልና ኢና እሞ፡ ዕዮኡ ድማ ናይ ሓደ ወይ ናይ ክልተ መዓልቲ ኣይኮነን።14እቶም ሓላቑና ንብዘሎ እቲ ኣኼባ ይቑሙሉ። እቲ ብዛዕባ እዚ ነገር እዚ ዝረኸበና ነዳዲ ቑጥዓ ኣምላኽናኣ ኻባና ኽሳዕ ዝምለስሲ፡ እቶም ጓኖት ኣንስቲ ዘእተው ኣብ ከተማታትና ዘለው፡ ምሳታቶም ድማ ዓበይትን ፈረድቲ ኹለን ከተማታትን ብምዱብ ግዚያት ይምጽኡ።
15ዮናታን ወዲ ዓሳህኤልን ያሕዝያ ወዲ ቲቅዋን ጥራይ ነዚ ተቓወምዎ፡ መሹላምን ሾብታይ ሌዋውን ከኣ ሓገዝዎም።16እቶም ደቂ ምርኮ ኸኣ ከምኡ ገበሩ። እዝራ እቲ ኻህንን እቶም ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታትን ድማ ነንማይ ቤት ኣቦታቶም ኩላቶም በብስሞም ፈለይዎም። ብዓስረይቲ ወርሒ ብቐዳመይቲ መዓልቲ ነዚ ነገር እዚ ኽምርምሩ ኾፍ በሉ።17ኣብታ ቐዳመይቲ ወርሒ በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ድማ ነቶም ጓኖት ኣንስቲ ዘእተው ኹሎም ሰባት መርሚሮም ወድኡ።
18ካብ ደቂ ኻህናት ከኣ ጓኖት ኣንስቲ ዘእተው ተረኸቡ፡ ካብ ደቂ እያሱ ወዲ ዮጻድቅን ኣሕዋቱን ድማ፡ ማዓሰያን አሊዐዘርን ያሪብን ገዳልያን፡19ንሳቶም ክሰዱ ኣእዳዎም ሃቡ። በደልቲ ኾይኖም ከኣ፡ ንበደሎም ካብ መጓሰ ድዑል ሰውኡ።20ካብ ደቂ ኢመር ድማ፡ ሓናኒን ዝባድያን።21ካብ ደቂ ሓሪም ከኣ፡ ማዓስያን ኤልያን ሸማዕያን የሒኤልን ዑዝያን።22ካብ ደቂ ጳሽሑርውን፡ ኤልዮዐናይ፡ ማዕሰያ፡ እስማዐል፡ ንታንኤል፡ ዮዛባድን ኤልዓሳን።23ካብ ሌዋውያን ድማ፡ ዮዛባድን ሺምዓን ቄላያን፡ ንሱ ቅሊጣ እተባህለ፡ ጴታሕያ፡ ይሁዳ፡ ኤልዐዘር ከኣ።24ካብ ዘመርቲ ድማ፡ ኤልያሺብ። ካብ ኣጋፈርቲውን፡ ሻሎምን ጠለምን ኡሪን።
25ካብ እስራኤል ከኣ ካብ ደቂ ፋርዖሽ፡ ራምያን ዩዝያን ማልክያን ሚያሚን ኤልዓዛርን ማልክያን በናያን።26ካብ ደቂ ዐላም ድማ፡ ማታንያን ዘካርያን የሒኤልን ዓቢዲን ይሬሞትን ኤልያን።27ካብ ደቂ ዛቱውን ኤልዮዐናይ” ኤልያሺብ፡ ማታንያን ይሬሞትን ዛባድን ዓዚዛን።28ካብ ደቂ ቤባይ ከኣ፡ ይሆሓናን ሓናንያን ዘበይን ዓትላይን።29ካብ ደቂ ባኒ ድማ፡ መሹላም ማሉክ፡ ዓዳያ፡ ያሹብ፡ ሸኣልን ይራሞትን።30ካብ ደቂ ጳሓትሞኣብ ከኣ፡ ዓድና፡ ክላል በናያ ማዓሰያ፡ ማታንያ ብጻልኤል፡ ቢኑኢን ምናሴን።31ካብ ደቂ ሓሪም ድማ፡ ኤልዐዘር ዮሺያ፡ ማልኪያ፡ ሸማዕያ፡ ሽምዖን፡32ቢንያሚን፡ ማሉክ ሽማርያ።33ካብ ደቂ ሑሹም መትናይ፡ ማታት፡ ዛባድ ኤልፈለጥ፡ ይሬማይ ምናሴ፡ ሺምዒ።34ካብ ደቂ ባኒ፡ ማዓዳይ፡ ዓምራም፡ኡኤል ከኣ፡35በናይ፡ ቤድያ፡ ክሉሂ፡36ዋንያ፡ መሬሞት፡ ኤልያሺብ፡37ማታንያ፡ ማትናይ፡ የዓሳው ድማ፡38ባኒን ቢኑኢን ሺምዓን፡39ሸለምያን ናታንን ዓዳያን፡40ማክናድባይ ሸሻይ፡ ሻራይ፡41ዓዛርኤል ሸለምያን ሽማርያን።42ሻሎም፡ ኣምርያ፡ ዮሴፍ።43ካብ ደቂ ኔቦ፡ ይዒኤል፡ ማቲትያ፡ ዛባድ፡ ዘቢና፡ ያዳይ፡ ዮኤልንን በናያን።44እዚኣቶም ኩሎም ጓኖት ኣንስቲ ኣእትዮም ነበሩ፡ ካባታተንውን ዝወለዳ ኣንስቲ ነበራ።

Leave a Reply

መጽሓፍ ቅዱስ ትግርኛ
ብሉይን ሓድሽን ኪዳን
ብሉይ ኪዳን
ሓድሽ ኪዳን
መጽሓፍ ቅዱስ ትግርኛ
ብሉይን ሓድሽን ኪዳን

ብሉይ ኪዳን

ሓድሽ ኪዳን