መጽሓፍ ኣስቴር
መ. ኣስቴር ምዕራፍ 1
1ኮነ ኸኣ፡ ብዝመን ኣሓሽዌሮስ፡ — እዚ ኣሓሽዌሮስ እዚ፡ እቲ ኻብ ህንዲ ኽሳዕ ኢትዮጵያ ሚእትን ዕስራን ሾብዓተን ሃገር ዝገዝአ እዩ። —2በቲ ዘመን እቲ ንጉስ ኣሓሽዌሮስ ኣብቲ ኣብ ኣደራሽ ሱሳን ዝነበረ ዝፋን መንግስቱ ኾፍ ምስ በለ፡3ብሳልሰይቲ ዓመት መንግስቱ ንኹሎም ሹማምቲ ንገላውኡን ንሰራዊት ፋርስን ሜዶንን ነቶም ኣብ ቅድሚኡ ዝነበሩ ሹማምቲ ሃገራትን ክቡራቶምን ዓብዩ ምሳሕ ገበረሎም።4ሽዑ ሃብቲ እቲ ኽቡር መንግስቱን ክብረት እቲ ብሉጽ ግርማኡን ንብዙሕ መዓልቲ፡ ሚእትን ሰማንያን መዓልቲ ኣርኣዮም።
5እዘን መዓልትታት እዚኤን ምስ ሓለፋ፡ እቲ ንጉስ ነቶም ኣብ ኣዳራሽ ሱሳን ዝነበሩ ህዝቢ ኹላቶም፡ ካብ ዓብዩ ኽሳዕ ንእሽቶ ኣብ ማኣከል መካበብያ ኣታኽልቲ ቤት ንጉስ ሾብዓተ መዓልቲ ምሳሕ ገበረ።6ጻዕዳን ሓምላይን ሰማያውን መጋረጃታት፡ ብጻዕዳን ቀይሕን ገመድ ሃሪ ተኣሲሩ፡ ብቐላብቲ ብሩር ተንጠልጢሉ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ብኣልባስጥሮስን ብጻዕዳ እምነ በረድን ብሉልን ብጸሊም እምነ በረድን እተኸድነ ምድሪ ቤት፡ ኣብኡ መናብር ወርቅን ብሩርን ነበረ።7እቲ መስቴታት ድማ ብኣቓሑ ወርቂ ኣቕረቡ፡ እቲ ኣቓሑ ኸኣ በብዓይነቱ ነበረ። ከም መጠን ልግሲ እቲ ንጉስ ከኣ እቲ ወይኒ መንግስቲ ብዙሕ ነበረ።8ንጉስ ከኣ ንኹሎም እቶም መዃንንቲ ቤቱ ነፍሲ ወከፍ ከከም ድሌቱ ደኣ ኸገብሩ እምበር፡ ንሓደ እኳ ግዲ ኸይብልዎ ኣዚዙ ነበረ እሞ፡ እቲ ምስታይ ከም እቲ ሕጊ ነበረ።9እታ ንግስቲ ዋሽቲ ድማ ኣብ ቤት ንጉስ ኣሓሽዌሮስ ነንስቲ ምሳሕ ገበረት።
10ኣብ ሳብዐይቲ መዓልቲ፡ ንጉስ ወይኒ ሰትዩ ልቡ ደስ ምስ በሎ፡ ንመሁማን፡ ቢዝታ፡ ሓርቦና፡ ቢግታ፡ ኣባግታን ዜታርን ካርካስን እዞም ኣብ ቅድሚ ንጉስ ኣሓሽዌሮስ ዘገልጝሉ ሾብዓተ ስሉባቱ፡11ንግስቲ ዋሽጢ፡ መልክዐኛ ነበረት እሞ፡ መልክዓ ንህዝብን ንሹማምንትን ከተርኢ፡ ዘውዲ ንጉስ ደፊኣ ናብ ቅድሚ ንጉስ ከምጽእዋ ኣዘዞም።12ንግስቲ ዋሽቲ ግና በቲ እቶም ስሉባት ዝነገርዋ ትእዛዝ ንጉስ ምምጻእ ኣበየት። ሽዑ እቲ ንጉስ ኣዝዩ ኾረየ፡ ኩራኡ ኸኣ ነደደ።
13ሽዑ እቲ ንጉስ ነቶም ናይ ዘመናት ነገር ዝፈልጡ ጠባቢባን ተዛረቦም፡— ናይ ንጉስ ነገርሲ ኣብ ቅድሚ ኹሎም ሕግን ፍርድን ዝፈልጡ ኸምዚ ይግበር ነይሩ እዩ።14እቶም ናብ ጥቓኡ ዝቕርቡ ዝነበሩ ኸኣ፡ ካርሽና፡ ሴታር፡ ኣድማታ፡ ተርሺሽ፡ ሜረስ፡ ማርስና፡ ምውካን፡ እቶም ገጽ ንጉስ ዝርእዩ፡ ኣብታ መንግስቲ ኣብ ቅድሚት ዝቕመጡ ዝነበሩ ሾብዓተ ሹማምቲ ፋርስን ሚዶንን እዮም።—15ንንግስቲ ዋሽቲ፡ ንጉስ ኣሓሽዌሮስ በቶም ስሉባቱ ገይሩ ዝኣዘዛ ስለ ዘይገበረት፡ ከም መጠን ሕጊ እንታይ ይገበር፡ በሎም።16መሙካን ከኣ ኣብ ቅድሚ ንጉስን ሹማምትን፡ ንግስቲ ዋሽቲ ንሓለቓታትን ኣብ ግዝኣት ንጉስ ኣሐሽዌሮስ ንዘለው ኹላቶም ህዝብታትን እምበር፡ ንንጉስ ጥራይ ኣይኮነትን ዝበደለት በለ።17እዚ ንግስቲ ዝገበረቶ ነገር ናብ ኩለን ኣንስቲ ኸወጽእ እዩ እሞ፡ ሰባኡተን ኣብ ቅድሚኤን ንዒቐን፡ ንጉስ ኣሓሽዌሮስ ንንግስቲ ዋሽቲ ናብኡ ኸምጽእዋ ኣዘዘ፡ ግናኸ ኣይመጸትን፡ ክብላ እየን።18ሎሚ ኸኣ ወዘራርዝ ፋስን ሜዶንን ንግስቲ ዝገበረቶ ዘረባ ምስ ሰምዓ፡ ንኹላቶም ሹማምቲ ንጉስ ከምኡ ኸብላኦም እየን እሞ፡ ብዙሕ ንዕቀትን ኩራን ክኸውን እዩ።19ንጉስ ኣንተ ደኣ ፈትዩስ ሓደ ንጉሳዊ ትእዛዝ ካብኡ ይውጻእ፡ ከይፈረሰ ከኣ፡ ኣብ ሕጊ ፋርስን ሜዶንን ይጸሓፍ። ደጊም ዋሽቲ ናብ ቅድሚ ንጉስ ኣሓሽዌሮስ ኣይትእቶ፡ ንጉስ ድማ መንግስታ ንኻልእ፡ ካብኣ ንእትሓይሽ ይሃብ።20እቲ ኣዋጅ ንጉስ ኣብ ብዘላ እዛ ገፋሕ መንግስቱ ምስ ተሰምዐ ኸኣ፡ ኩላተን ኣንስቲ ንሰብኡተን፡ ካብ ዓቡዩ ኽሳዕ ንእሽቶ፡ ክብሪ ኸህባኦም እየን።21እዚ ምኽሪ እዚ ድማ ንንጉስን ሹማምትን ባህ ኣበሎም እሞ፡ እቲ ንጉስ ከምቲ ዘረባ መሙካን ገበረ።22ኣብ ኩሉን ሃገራት እቲ ንጉስ ድማ ነንሃገር ከም ስርዓት ኣጻሓሕፋኡ፡ ነንህዝቡ ኸኣ በብዘረባኡ ደብዳበ ሰደደ። በተን መልእኽትታት ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብ ቤቱ ይምለኽ፡ ብዘረባ ህዝቡ ኸኣ ይዛረብ።
መ. ኣስቴር ምዕራፍ 2
1ድሕርዚ ነገር እዚ ኹራ ንጉስ ኣሓሽዌሮስ ምስ ዘሓለ፡ ንዋሽትን ነቲ ዝገበረቶን ነቲ ዝፈረዳ ነገርን ሓሰበ። 2ሽዑ እቶም ዘገልግልዎ ዝነበሩ ገላው ንጉስ፡ ንንጉስ ጽቡቕ ዝመልክዐን ደናግል ኣዋልድ ይድለዩሉ፡ በሉ።3እቲ ንጉስ መልክዐን ዝጸበቓ ኹለን ደናግል ኣዋልድ ናብ ኣደራሽ ሱሳን ናብ ቤት ኣንስቲ ኣብ ኢድ ሄጋይ፡ እቲ ስሉብ ጊልያ ንጉስ ሓላው ኣንስቲ፡ ዝእክብወን ሹማምቲ ኣብ ኩሉ ግዝኣት መንግስቱ የቐምጥ። ንምድላው ዘድሊ ኸኣ ይወሃበን።4ንዓይኒ ንጉስ ባህ እተብል ጓል ድማ ኣብ ክንዲ ዋሽቲ ትንገስ በሉ። እዚ ነገር እዚ ንንጉስ ደስ ኣበሎ እሞ፡ ከምኡ ገበረ።
5ኣብ ኣደራሽ ሱሳን ሓደ ማርዶካይ ዝስሙ ኣይሁዳዊ ሰብኣይ ነበረ፡ ንሱ ወዲ ያኢር፡ ወዲ ሽምዒ፡ ወዲ ቂስ፡ ካብ ደቂ ብንያም ነበረ።6ንሱ ምስቶም ምስ ኢኮንያ ንጉስ ይሁዳ እተማረኹ ምሩኻት ነቡክዳነጸር ንጉስ ባቢሎን ዝማረኾ፡ ካብ ዮርሳሌም እተማረኸ ነበረ።7ኮነ ድማ። ንሃዳሳ ጓል ሓወቦኡ ኣዕብይዋ ነበረ፡ ንሳ ኸኣ ኣስቴር እያ። ኣቦን ኣደን ድማ ኣይነበርዋን። እታ ጓል እቲኣ ኸኣ ኣዝያ መልክዐኛ ትርኢታ ድማ ጽብቕቲ ነበረት። ኣቦኣን ኣዲኣን ምስ ሞቱ ኸኣ፡ ማርዶካይ ከም ጓሉ ጌሩ ሒዝዋ ነበረ።
8ኮነ ኸኣ፡ ትእዛዝ ንጉስን ፍርዱን ምስ ተሰምዐ፡ ኣብ ኢድ ሄጋይ ናይ ኣደራሽ ሱሳን፡ ብዙሓት ኣዋልድ ምስ ተኣከባ ድማ፡ ንኣስቴር ኣብ ኢድ ሄጋይ ሓላው ኣንስቲ ናብ ቤት ንጉስ ኣምጽእዋ።9እታ ጓል ከኣ ኣብ ዓይኑ ባህ ኣበለቶ፡ ኣብ ቅድሚኡውን ሞጎስ ረኸበት። ንሱ ድማ ንምድላዋ ዘድልያን ዝግብኣ ምግብን ካብ ቤት ንጉስ እተመደበላ ሾብዓተ ኣግራድን ቀልጢፉ ሃባ። ንእኣን ነግራዳን ድማ ካብቲ ቤት ኣንስቲ ኣብ ዝበለጸ ቤት ኣስፈራ።10ማርዶካይ፡ ኣይትንገሪ፡ ኢሉ ኣዚዝዎ ነበረ እሞ፡ ኣስቴር ህዝባን ወለዶኣን ኣይነገረትን።11ማርዶካይ ከኣ ንኣስቴር ደሓን ምህላዋን እንታይ ከም ዝገብርዋን ክፈልጥ፡ ኩሉ መዓልቲ ኣብ ቅድሚ መካበብያ ቤት ኣንስቲ ይመላለስ ነበረ።
12ነንሓንቲ ጓል ናብ ንጉስ ኣሐሽዌሮስ ክትኣቱ ታራኣ ምስ በጽሐ፡ ከም ስርዓት ኣንስቲ ዓሰርተው ክልተ ወርሒ ምስ ገበረት፡— ከምኡ መዓልትታት ምድላወን ይመልኣ፡ ሽዱሽተ ወርሒ ብቕብኢ ኸርበ፡ ሽዱሽተ ወርሒ ድማ ብጥዑም ሽቱ፡ ንምድላው ኣንስቲ ብዘድሊ ኻልእ ከኣ።—13በዚ ኸምዚ ኸኣ እታ ጓል ናብ ንጉስ ኣተወት፡ ዝደለየቶ ኹሉ ድማ ምስኣ ኻብ ቤት ኣንስቲ ናብቲ ቤት ንጉስ ክኣቱ ተዋህባ።14ንሳ ምሸት ትኸይድ ነበረት፡ ብጊሓት ድማ ተመሊሳ፡ ኣብታ ኻልኣይቲ ቤት ኣስንቲ፡ ናብ ሻዕሽጋዝ፡ ናይ ንጉስ ስሉብ ሓላው ኣንስቲ ወሰኑ፡ ትኸይድ ነበረት። ንሳ ንጉስ ከየድለያን ብስማ ኸኣ ከይጸውዓን፡ መሊሳ ናብ ንጉስ ኣይትኣቱን ነበረት።
15ንኣስቴር ጓል ኣቢሓይል፡ ሓወቦ ማርዶካይ፡ ከም ጓሉ ዝሓዛ፡ ናብ ንጉስ ክትኣቱ ታራኣ ምስ በጽሐ፡ ብጀካ ሂጋይ፡ እቲ ናይ ንጉስ ስሉብ ሓላው ኣንስቲ፡ ዝበላ ኻልእ ኣይደለየትን። ኣስቴር ከኣ ኣብ ዓይኒ እቶም ዝረኣይዋ ኩላቶም ተፈትወት።16ንኣስቴር ድማ ብዓስረይቲ ወርሒ፡ ንሳ ኸኣ ወርሒ ጤቤት፡ ብሳብዐይቲ ዓመት መንግስቱ ኣብ ንጉስ ኣሓሽዌሮስ፡ ናብ ቤት ንጉስ ወሰድዋ።17ንጉስ ድማ ንኣስቴር ካብ ኩለን እተን ኣንስቲ ኣብሊጹ ፈተዋ፡ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ኸኣ ሓለፋ ኹለን እተን ደናግል ሞጎስን ፍቕርን ረኸበት። ኣብ ርእሳውን ዘውዲ መንግስቲ ደፍኣላ። ኣብ ክንዲ ዋሽቲ ድማ ኣንገሳ።18ሽዑ እቲ ንጉስ ንሹማምቱን ንገላውኡን ዓብዩ ምሳሕ ገበረሎም። እቲ ምሳሕ እቲ ኸኣ ስለ ኣስቴር ነበረ እሞ፡ ንሰብ እታ ሃገር ኣዕረፎም፡ ከም ልግስነት ንጉስ ከኣ ህያባት ሃበ።
19ብኻልይቲ ግዜ ድማ ደናግል ምስ ዝእከባ፡ ማርዶካይ ኣብ ደገ ንጉስ ኮፍ ይብል ነበረ።20ኣስቴር ከምቲ ምስኡ ተዓቑባ ኸላ፡ ንትእዛዝ ማርዶካይ ትገብሮ ዝነበረት፡ ኣስቴር ከምቲ ማርዶካይ ዝኣዘዛ፡ ወለደኣን ህዝባን ገና ኣይነገረትን ነበረት።
21በተን መዓልትታት እቲኤን ከኣ ምርዶካይ ኣብ ደገ ንጉስ ኮፍ ኢሉ ኸሎ፡ ቢግታንን ቴረሽን፡ ክልተ ናይ ንጉስ ስሉባት፡ ካብቶም ነቲ ደገ ዝሕልው ዝነበሩ፡ ንንጉስ ተቖጥዕዎ፡ ኣእዳዎም ናብ ልዕሊ ንጉስ ኣሓሽዌሮስ ከልዕሉ ሓሰቡ።22እቲ ነገር ግና ኣብ ማርዳኮይ ተፈልጠ፡ ንሱ ኸኣ ንንግስቲ ኣስቴር ነገራ። ኣስቴር ድማ ብስም ማርዶካይ ንንግስ ነገረቶ።23እቲ ዘረባ ኸኣ ተመርመረ እሞ ሓቂ ኾይኑ ተረኸበ። ክልቲኦም ከኣ ኣብ ጉንዲ ተሰቕሉ፡ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ድማ ኣብ መጽሓፍ ዜና መዋእል ተጻሕፈ።
መ. ኣስቴር ምዕራፍ 3
1ድሕሪ እዚ ነገር እዚ ንጉስ ኣሓሽዌሮስ ንሃማን፡ ወዲ ሃመዳታ እቲ ኣጋጋዊ፡ ክብ ኣበሎ ኣኽበሮውን፡ መንበሩ ድማ ኣብ ልዕሊ እቶም ምስኡ ዝነብሩ ዅላቶም ሹምማቲ ልዕል ኣበሎ።2እቶም ኣብ ደገ ንጉስ ዝቕመጡ ኹላቶም ገላው ንጉስ ንሃማን ፍግም ኢሎም ሰገደሉ፡ ከመይሲ ብዛዕባኡ ንጉስ ከምኡ ኢሉ ኣዚዙ ነበረ፡ ማርዶካይ ግና ፍግም ኢሉ ኣይሰገደሉን።3ሽዑ እቶም ኣብ ደገ ንጉስ ዝቕመጡ ዝነበሩ ገላው ንጉስ ንማርዶካይ፡ ስለምንታይ ኢኻ ንስኻ ትእዛዝ ንጉስ እተፍርስ፡ በልዎ።4ኮነ ኸኣ፡ ንሳቶም መዓልቲ ንመዓልቲ ነጊሮምዎ ምስማዕ ምስ ኣበዮም፡ ኣይሁዳዊ ምዃኑ ነጊሮምዎ ምስማዕ ምስ ኣበዮም፡ ኣይሁዳዊ ምዃኑ ነጊሮምዎ ነበሩ እሞኦ፡ ግብሪ ማርዶካይ ዝጸንዕ እንተ ኾይኑ ምእንቲ ኸርእዮ፡ ንሃማን ነገርዎ።5ሃማን ድማ ማርዶካይ ፍግም ኢሉ ኸም ዘይሰገደሉ ምስ ረኣየ፡ ብቑጥዓ መልአ።6ብዛዕባ ህዝቢ ማርዶካይ ምስ ነገርዎ ኸኣ፡ ኢዱ ንማርዶካይ ጥራይ ክዝርግሓሉ፡ ኣብ ዓይኑ እተናዕቀ ኾይኑ ተራእዮ፡ ስለዚ ሃማን ንህዝቢ ማርዶካይ፡ ነቶም ኣብ ብዘላ መንግስቲ ኣሓሽዌሮስ ዝነበሩ ኹላቶም ኣይሁድ ከጥፍኦም ደለየ።7ብቐዳመይቲ ወርሒ፡ ንሳ ኸኣ ወርሒ ኒሳን፡ ንመንግስቲ ኣሓሽዌሮስ ብመበል ዓሰርተው ክልተ ዓመቱ፡ ኣብ ቅድሚ ሃማን፡ ካብ መዓልቲ ንመዓልቲ፡ ካብ ወርሒ ንወርሒ፡ ክሳዕ ኣብ መበለ ዓሰርተው ክልተ ወርሒ፡ ንሳ ወርሒ ኣዳር፡ ጲር፡ እዚ ማለት ዕጭ ኣውደቑ።
8ሃማን ድማ ንንጉስ ኣሓሽዌሮስ፡ ኣብ ማእከል እቶም ኣብ ኩለን ሃገራት መንግስትኻ ዘለው ኹሎም ህዝብታት ሓደ ፍሉይ ህዝቢ እተዘርዘረን ፋሕ ዝበለን ኣሎ። ሕጎም ከኣ ካብ ኩሎም ህዝብታት ፍሉይ እዩ። ንሕጋጋት ንጉስውን ኣይሕልውን እዮም፡ ስለዚ ንጉስ ክሓድጎም ኣይግባእን እዩ።9ንንጉስ ጽቡቕ እንተ ደኣ መሰሎ፡ ክጠፍኡ ይጽሓፍ። ኣነ ድማ ብኢድ እቶም ዓየይቲ ናብ መዝገብ ንጉስ ክኣቱ ዓሰርተ ሽሕ ታለንት ብሩር ክመዝን እየ በለ።10ሽዑ ንጉስ ቀለቤቱ ኻብ ኢዱ ኣውጺኡ ንሃማን፡ ወዲ ሃመዳታ እቲ ኣጋጋዊ፡ ጸላእ ኣይሁድ ሃቦ።11ንጉስ ከኣ ንሃማን፡ ጽቡቕ ኮይኑ እተራእየካ ኽትገብርስ፡ እቲ ብሩርን እቲ ህዝብን ንኣኻ ተዋሂቡ እዩ፡ በሎ።
12ካብ ቀዳመይቲ ወርሒ ብመበል ዓሰርተው ስለስተ መዓልቲ ድማ እቶም ጸሓፍቲ ንጉስ ተጸውዑ፡ ከምቲ ሃማን ዝኣዘዞ ኹሉ ኽኣ ናብ ሹማምቲ ንጉስን ኣብ ሃሃገር ንዘለው ገዛእትን ኣብ ነናይ ህዝቢ ሓላቑን ነንሃገር ከከም ስርዓት ኣጸሕፋኡ፡ ነንህዝቢ ድማ በብቛንቛኡ ብስም ንጉስ ኣሓሽዌሮስ ተጻሕፈ፡ ብቐለበኢት ንጉስ ከኣ ተሓትመ።13ብሓንቲ መዓልቲ ብመበል ዓሰርተው ክልተ ወርሒ፡ ንሳ ወርሒ ኣዳር፡ ንኹላቶም ኣይሁድ፡ ነጉባዝን ኣረገውትን፡ ንሕጻናትን ኣንስትን። ከጥፍእዎምን ክቐትልዎምን ክድምስስዎምን ገንዘቦም ከኣ ክዘምትዎምንሲ፡ ደብዳቤታት ብቕልጡፋት ፈረሰኛታት ናብ ኩለን ሃገራት ንጉሰ ሰደድዎ።14ነዛ መዓልቲ እዚኣ ተዳልዮም ክጸንሑስ፡ ኣብ ኩለን ሃገራት እቲ ትእዛዝ ክወሃብ፡ ንኹሎም ህዝብታት ቅዳሕ እቲ ጽሑፍ ተኣወጀ።15እቶም ፈረሰኛታት ብትእዛዝ ንጉስ ቀልጢፎም ወጹ። እቲ ትእዛዝ ከኣ ኣብ ኣዳራሽ ሱሳን ተዋህበ። ንንጉስን ሃማንን ድማ ኮፍ ኢሎም ይሰትዩ ነበሩ። እታ ኸተማ ሱሳን ግና ሰንበደት።
መ. ኣስቴር ምዕራፍ 4
1ማርዶካይ ከኣ እተገብረ ኹሉ ነገር ምስ ፈለጠ፡ ማርዶካይ ክዳኑ ቐዲዱ ኽሊ ተኸድነ፡ ኣብ ርእሱውን ሓሙኹሽቲ ነስነሰ፡ ናብ ማእከል እታ ኸተማ ወጺኡ ድማ ብብርቱዕን መሪርን ኣውያት ኣእወየ።2ክሊ ተኸዲንካ ብደገ ንጉስ ምእትው ኣይግባእን ነበረ፡ ንሱ ግና ክሳዕ ቅድሚ ደገ ንጉስ መጸ።3ኣብ ኩለን ሃገራት ቃል ንጉስን ትእዛዙን ኣብ ዝበጽሑ ዘበለ ቦታ ኸኣ፡ ኣብ ኣይሁድ ብርቱዕ ሓዘንን ጾምን ብኽያትን ዋይዋይታን ኮነ። ብዙሓት ከኣ ከሊ ተኸዲኖምን ሓሙኹስቲ ነስኒሶምን ተቐሚጦም ነበሩ። 4ኣግራድ ኣስቴርን ስሉባን ድማ መጺኦም፡ እዚ ነገርዋ። ሽዑ እታ ንግስቲ ኣዝያ ጎሀየት፡ ንማርዶካይ ከኣ ነቲ ኽሊ ኻብ ልዕሊኡ ኸወስዱ፡ ኢላ ክዳን ሰደደትሉ። ግናኸ ኣይተቐበላን።5ሽዑ ኣስቴር ንሃታክ ጸውዓቶ፡ ንሱ ሓደ ኻብቶም ስሉባት፡ ንጉስ ከገልግልዋ ኢሉ ዘቔመላ፡ ነበረ። እዚ እንታይ ምዃኑ ስለምንታይውን ከም ዝኾነ ኸፈልጥ ናብ ማርዶካይ፡ ክኸይድ ኣዘዘቶ።6ሃታክ ድማ ናብ ማርዶካይ፡ ናብታ ቕድሚ ደገ ንጉስ ዝነበረት ገፋሕ ቦታ ኣታ ኸተማ ወጸ።7ማርዶካይ ከኣ እቲ ዝመጾ ኹሉ ነገርን ፍቕዲ እቲ ገንዘብ፡ ሃማን ንኣይሁድ ንምጥፋእ ኣብ መዝገብ ንጉስ ከእትዎ ኢሉ ዝመዘኖን ነገሮ።8እቲ ንኣይሁድ ንምጥፋእ ኣብ ሱሳን እተሓገገ ናይቲ ትእዛዝ ሓደ ቕዳሕ ንኣስቴር ከርእያን ክነግራን ናብ ንጉስ ክትኣቱ ኽእዝዛን፡ ንሳ ብዛዕባ ህዝባ ኽትልምኖ ድማ፡ ክልምናን ኢሉ፡ ንእኡ ሃቦ።9ሃታክ ድማ ናብ ኣስቴር መጺኡ፡ ዘረባ ማርዶካይ ነገራ።10ሽዑ ኣስቴር ንሃታክ ንማርዶካይ ከምዚ ኢሉ ኸነግሮ ኣዘዘቶ፡11ሰብኣይ ኮነ ሰበይቲ ኾነት ከየተጸውዐ ኣብቲ ውሽጣዊ መካበብያ ናብ ንጉስ ዝኣተወ ኸመውት ሕጊ ኸም ዘሎ፡ ኩሎም ገላው ንጉስን ህዝቢ ሃገራት ንጉስን ይፈልጡ እዮም፡ እቲ ንጉስ እታ ዘንጊ ወርቂ ዝዘርግሓሉ ጥራይ እዩ ዝድሕን። ኣነ ድማ ናብ ንጉስ ክኣቱ ኻብ ዘይጽዋዕ፡ እዚኣ መበል ሰላሳ መዓልቲ እያ በለት። 12ዘረባ ኣስቴር ከኣ ንማርዶካይ ነገርዎ።13ማርዶካይ ድማ ንኣስቴር መሊሶም ከምዚ ኸብልዋ ለመኖም፡ ኣብ ቤት ንጉስ ስለ ዘሎኺ፡ ካብ ኩሎም ኣይሁድ ተፈሊኺ፡ ንበይንኺ እድሕን ኢልኪ ብልብኺ ኣይትሕሰቢ።14በዚ ግዜ እዚ ስቕ እንተ በልክስ፡ ንኣይሁድ ሓገዝን ሓራን ካብ ካልእ ቦታ ኸመጽእ እዩ፡ ንስኽን ቤት ኣቦኽን ግና ክትጠፍኢ ኢኹም። ንስኺ ኸምዚ ንዝበለ እዋን ናብ መንግስቲ መጺእኪ እንተ ኾንኪ፡ መን ይፈልጥ። 15ሽዑ ኣስቴር ንማርዶካይ ከምዚ ኢሎም ክመልሱሉ ለመነቶም፡16ኪድ እሞ፡ ኣብ ሱሳን እተረኸቡ ኹሎም ኣይሁድ ኣኪብካ ኽሳዕ ሰለስተ መዓልቲ፡ ለይትን መዓልትን ከይበልካዕኩም ከይሰቴኹም ንኣይ ጹመለይ፡ ኣነ ድማ ምስ ኣግራደይ ከምኡ ኽጸውም እየ። ሽዑ፡ ከም ሕጊ እኳ ዘይኮነ ኽነሱ፡ ናብ ንጉስ ክኣቱ እየ፡ እንተ ጠፋእኩ እጥፋእ።17ማርዶካይ ከኣ ኸደ፡ ከምቲ ኹሉ ኣስቴር ዝኣዘዘቶ ገበረ።
መ. ኣስቴር ምዕራፍ 5
1ኮነ ድማ፡ ብሳልሰይቲ መዓልቲ ኣስቴር ልብሰ መንግስቲ ተኸድነት፡ ናብቲ ኣብ መንጽር ቤት ንጉስ ዘሎ ውሽጣዊ መካበብያ ቤት ንጉስ ደው በለት። እቲ ንጉስ ከኣ ኣብ መንጽር ደገ ቤቱ፡ ኣብ ዝፋን መንግስቱ ኣብ ቤተ መንግስቲ ኾፍ ኢሉ ነበረ።2ኮነ ኸኣ፡ እቲ ንጉስ ንግስቲ ኣስቴር ኣብቲ መካበብያ ደው ኢላ ምስ ረኣያ፡ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ሞጎስ ረኸበት፡ እቲ ኣብ ኢዱ ዝነበረ ዛንጊ ወርቂ ድማ ዘርግሓላ። ኣስቴር ከኣ ቅርብ ኢላ፡ ርእሲ ዘንጉ ተነከየት።3ሽዑ ንጉስ፡ ንግስቲ ኣስቴር፡ እንታይ ዃንኪ ኢኺ፡ እንታይሲ ትደልዩ፡ ክሳዕ ፍርቂ መንግስተይ እኳ እንተ ኾይኑ ኸወሃበኪ እዩ፡ በላ።4ኣስቴር ከኣ፡ ንጉስ እንተ ደኣ ፈትዩስ፡ ናብቲ ኣዳልየዮ ዘለኹ ምሳሕ፡ ንጉስ ምስ ሃማን ኾይኑ ሎሚ ይምጻእ በለት።5እቲ ንጉስ ድማ፡ ኣስቴር ዝበለቶ ምእንቲ ኸግበርሲ፡ ንሃማን ቀልጢፍኩም ጸውዕዎ፡ በለ። ንጉስን ሃማንን ድማ ናብቲ ኣስቴር ዘዳለወቶኦ ምሳሕ መጹ።6ነቲ ወይኒ ኸሰትዮ ኸለው፡ ንጉስ ንኣስቴር ልማኖኺ እንታይ እዩ፡ ክወሃበኪ እዩ፡ እንታይ እዩ ድላይኪ፡ ክሳዕ ፍርቂ መንግስቲ እንተ ኾነ እኳ፡ ይኹነልኪ እዩ፡ በላ።7-8ኣስቴር ከኣ፡ ኣብ ኣዒንቲ ንጉስ ሞጎስ እንተ ደኣ ረኺበ፡ ንጉስ ከኣ ልማኖይ ክህበንን ድላየይ ክገብርን ኣንተ ደኣ ፈትዩስ፡ ናብቲ ዝገበረሎም ምሳሕ፡ ንጉስ ምስ ሃምን ይምጻእ፡ ጽባሕ ድማ ከምቲ ንጉስ ዝበሎ ኽገብር እየ፡ ልማኖይን ድላየይን እዚ እዩ፡ ኢላ መለሰት።
9በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ሃማን ባህ ኢልዎ፡ ልቡ ኸኣ ተሓጉሱ ወጸ። ግናኸ ሃማን ንማርዶካይ ኣብ ደገ ንጉስ ሓፍ ከየበለ ኻብኡውን ከይተነቓነቐ ኾፍ ኢሉ ምስ ረአዮ፡ ኣብ ልዕሊ ማርዶካይ ቁጥዓ መልኦ።10ሃማን ግና ንርእሱ ዝግ ኣበለ። ናብ ቤቱ ምስ ኣተወ ኸኣ፡ ልኢኹ ንፈተውቱን ንዘረሽ ሰበይቱን ኣምጽኦም።11ሃማን ከኣ ዕቤት ሃብቱን ብዝሒ ደቁን፡ ንጉስ ብኹሉ ኸመይ ገይሩ ኸም ዘዕበዮን ኣብ ልዕሊ ሓላቑን ገላው ንጉስን ክብ ከም ዘበሎን ነገሮም።12ሃማን ድማ ወሲኹ በለ፡ ንግስቲ ኣስቴር ከኣ ናብቲ ዝገበረቶ ምሳሕ ምስ ንጉስ ብጀካይ ኣይጸውዐትን። ንጽባሕ ድማ ምስ ንጉስ ተጸውዐ ኣሎኹ።13እዚ ኹሉ ግና፡ ማርዶካይ እቲ ኣይሁዳዊ ኣብ ደገ ንጉስ ኮፍ ኢሉ ኽሳዕ ዝርእዮስ ባህ ኣይበለንን እዩ፡ በለ።14ሽዑ ዘረሽ ሰበይቱን እቶም ፈተውቱ ኹላቶምን ኮይኖም፡ ሓምሳ እመት ዝምንዋሑ ጉንዲ ኣዳሉ፡ ማርዶካይ ኣብኡ ኸስቀልሲ፡ ጽባሕ ንግሆ ንንጉስ ንገሮ። ድሕርቲ ምስ ንጉስ ናብቲ ምሳሕ ደስ ኢሉካ ትኸይድ፡ በለቶ። እዚ ነገር ንሃማን ባህ ኣበሎ እሞ፡ ጉንዲ ኸም ዘዳልው ገበረ።
መ. ኣስቴር ምዕራፍ 6
1እቲ ንጉስ በታ ለይቲ እቲኣ ድቃስ ዘይብሉ ሓደረ፡ እቲ መጽሓፍ ዜና መዋእል መዘከርታ ኸምጽኡሉ ኸኣ ኣዘዘ። ኣብ ቅድሚ እቲ ንጉስ ከኣ ተነብበ።2እቶም ክልተ ናይ ንጉስ ስሉባት ኣጋፈርቲ ሕልፍኚ፡ ቢግታናን ተረሽን፡ ኢዶም ኣብ ንጉስ ኣሓሽዌሮስ ክዝርግሑ ኸም ዝሓሰቡ፡ ማርዶካይ ከኣ ከም ዝነገሮ ተጽሒፉ ተረኸበ።3ሽዑ ንጉስ፡ ንማርዶካይ ብዛዕባ እዚ ኸመይ ዝበለ ኽብረትን ዕቤትን ተገብረሉ፡ በለ። እቶም ዘገልግልዎ ዝነበሩ ገላው ንጉስ ድማ፡ ገለ ነገር እኳ ኣይተገብረሉን፡ በሉ።4እቲ ንጉስ ከኣ፡ ኣብ መካበብያ መን ኣሎ፡ በለ። ሃማን ንማርዶካይ ኣብቲ ንእኡ ዘዳለወሉ ጉንዲ ኸሰቕልዎ፡ ንንጉስ ክነግር ኢሉ፡ ናብቲ ወጻኢ መካበብያ ቤት ንጉስ ኣትዩ ነበረ።5እቶም ገላው ንጉስ ድማ፡ እንሆ፡ ሃማን ኣብ መካበብያ ደው ኢሉ ኣሎ፡ በልዎ። ንጉስ ከኣ፡ ይእቶ በለ።6ሃማን ድማ ኣተወ። ንጉስ ከኣ፡ ንጉስ ከኽብሮ ንዝደለዮ ሰብ እንታይ ኸገብረሉ ይግባ፡ በለ። ሃማን ድማ ብልቡ፡ ንጉስ ካብ ንኣይ ንመን ከኽብር ምፈተወ፡ ኢሉ ሓሰበ።7ሃማን ድማ ንንጉስ፡ ንጉስ ከኽብሮ ንዝፈተዎ ሰብስ፡8ንጉስ ዝኽደኖ ልብስ መንግስቲ፡ ንጉስ ዝውጥሖ ፈረስ የምጽኡሉ፡ ኣብ ርእሱ ድማ ዘውዲ ንጉስ ይድፍኡሉ።9እቲ ኽዳንን እቲ ፈረስን ከኣ ኣብ ኢድ ሓደ ኻብቶም ክቡራት ሹማምቲ ንጉስ ይወሃብ እሞ፡ ነቲ ንጉስ ከኽብሮ ዝደሊ ሰብ ድማ ይኽደንዎ፡ ኣብ ፈረስ ኣወጢሖምውን ብኣደባባይ እታ ኸተማ የሕልፍዎ፡ ኣብ ቅድሚኡ ኸኣ፡ ነቲ ንጉስ ከኽብሮ ዝደለዮ ሰብ ከምዚ ይግበረሉ፡ ኢሎም ኣዋጅ ይኣወጁ በሉ።10ሽዑ ንጉስ ንሃማን፡ ቀልጢፍካ ልብስን ፈረስን ውሰድ፡ ነቲ ኣብ ደገ ንጉስ ኮፍ ኢሉ ዘሎ ኣይሁዳዊ ንማርዶካይ ከምቲ እተዛረብካዮ ኸምኡ ግበረሉ። ካብዚ ዝበልካዮ ሓደ እኳ ኣይጎደል፡ በለ።11ሃማን ድማ እቲ ኽዳንን እቲ ፈረስን ወሰደ። ንማርዶካይ ድማ ኸደኖ፡ ናብ ፈረስውን ኣወጥሖ፡ ኣብ ኣደባባይ እታ ኸተማ ድማ ኣብ ቅድሚኡ፡ ንጉስ ከኽብሮ ንዝደለየ ሰብ ከምዚ ይግበረሉ፡ እናበለ ኣዋጅ ነገረ።
12ማርዶካይ ድማ ናብ ደገ ንጉስ ተመልሰ፡ ሃማን ግና ጉህዩ ርእሱ ተጎልቢቡ ቐልጢፉ ናብ ቤቱ ኸደ።13ሃማን ከኣ እቲ ዝወረዶ ኹሉ ንዘረሽ ሰበይቱን ንኹሎም ፈተውቱን ኣዘንተወሎም። እቶም ጠቢባኑን ዘረሽ ሰበይቱን ድማ፡ ማርዶካይ እቲ ኣብ ቅድሚኡ ኽትወድቕ ጀሚርካ ዘሎኻ፡ ካብ ዘርኢ ኣይሁድ እንተ ደኣ ኾይኑ፡ ፈጺምካ ኣብ ቅድሚኡ ኽትወድቕ ኢኻ እምበር፡ ንእኡስ ገለ ኽትገብሮ ኣይትኽእልን ኢኻ በልዎ።14ገና ንሳቶም ምስኡ ኸዛረቡ ኸለው፡ እቶም ናይ ንጉስ ስሉባት መጹ፡ ንሃማን ናብቲ ኣስቴር ዘዳለወቶ ምሳሕ ከምጽእዎ ሃወኽዎ።
መ. ኣስቴር ምዕራፍ 7
1ንንጉስ ሃማንን ከኣ ክሰትዩ ናብ ንግስቲ ኣስቴር መጹ።2በታ ኻልአይቲ መዓልቲ ወይኒ ኸሰትዩ ኸለው ድማ ንጉስ ንኣስቴር መሊሱ፡ ዎ ንግስቲ ኣስቴር፡ ልማኖኺ እንታይ እዩ ክሳዕ ፍርቂ መንግስቲ እኳ እንተ ኾነ፡ ይኹነልኪ እዩ፡ በላ።3ሽዑ ንግስቲ ኣስቴር መሊሳ፡ ዎ ንጉስ ኣብ ኣዒንትኻ ሞጎስ እንተ ደኣ ረኺበ፡ ንጉስ ከኣ እንተ ፈትዩ፡ ህይወተይ ብልማኖይ ህዝበይ ከኣ ብድላየይ ይወሃበኒ።4ኣነን ህዝበይን ንምጥፋእን ንምሕራድን ንምድምሳስን ተሸጥና። ንባርነትን ንግርድነትን ተሸኢጥና እንተ ንኸውንሲ፡ ስቕ ምበለኩ። ሕጂ ግና እቲ ጸላኢ እቲ ንንጉስ ዝገብሮ ጉድኣት ክጣጣእ ኣይኽእልን እዩ በለት።
5ንጉስ ኣሓሽዌሮስ ንንግስቲ ኣስቴር፡ እቲ ነዚ ኸገብር ልቡ ዝመልአ መን እዩ፡ ንሱስ ኣበይ ኣሎ፡ በላ።6ኣስቴር ከኣ፡ እቲ ተጻራርን ጸላእንሲ እዚ ሕሱም ሃማን እዩ፡ በለት። ሽዑ ሃማን ኣብ ቅድሚ ንጉስን ንግስትን ራዕራዕ በለ።7ንጉስ ካብቲ ወይኒ ዝሰትየሉ ዝነበረ ብቑጥዓ ተንሲኡ፡ ናብ ኣታኽልቲ እቲ ኣደራሽ ከደ። ሃማን ግና፡ ካብ ንጉስ መከራ ኸም እተመደበሉ ርእዩ ነበረ እሞ፡ ህይወቱ ኽትምሕሮ ንንግስቲ ኣስቴር ክልምን ደው በለ።8እቲ ንጉስ ከኣ ኻብቲ ኣታኽልቲ ኣደራሽ ናብቲ ወይኒ ዝሰትዩሉ ዝነበሩ ቤት ምስ ተመልሰ፡ ሃማን ናብ ልዕሊ እቲ ኣስቴር ዘላቶ ዓራት ወዲቑ ነበረ። ሽዑ እቲ ንጉስ፡ ድማዶ ኣብ ቤተይ ኣብ ቅድመይ ንንግስቲ ኽዕምጻ ደልዩ በለ። እዚ ቓል እዚ ኻብ ኣፍ ንጉስ ምስ ወጸ፡ ንሃማን ገጹ ሸፈንዎ።9ሓርቦና፡ ሓደ ኻብቶም ስሉባት ድማ ኣብ ቅድሚ ንጉስ፡ ሃማን ንማርዶካይ፡ ነቲ ንንጉስ ጽቡቕ እተዛረበሉ፡ ኢሉ ዘዳለዎ ሓምሳ እመት ዝምንዋሑ ጉንዲ፡ እንሆ፡ ኣብ ቤት ሃማን ደው ኢሉ ኣሎ፡ በለ። ንጉስ ከኣ፡ ንእኡ ናብኡ ስቐልዎ በለ።10ከምዚ ንሃማን ኣብቲ ንማርዶካይ ኢሉ ዘዳለዎ ጉንዲ ሰቐልዎ። ሽዑ ቑጣ ንጉስ ዘሓለ።
መ. ኣስቴር ምዕራፍ 8
1በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ንጉስ ኣሓሽዌሮስ ቤት ሃማን እቲ ጸላእ ኣይሁድ ንንግስቲ ኣስቴር ሃባ። ኣስቴር ንሱ ንእኣ እንታይ ምዃኑ ነገረቶ እሞ፡ ማርዶካይ ናብ ቅድሚ ንጉስ ኣተወ።2ንጉስ ድማ ነቲ ኻብ ሃማን ዝወሰዶ ቐልቤቱ ኣውጺኡ ንማርካዶይ ሃቦ። ኣስቴር ድማ ንማርዶካይ ኣብ ልዕሊ ቤት ሃማን ሸመቶ። 3ኣስቴር ድማ ከም ብሓድሽ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ተዛረበት፡ ክፍኣት ሃማን ኣጋጋዊ ኣብ ልዕሊ ኣይሁድ እተጣበቦ ጥበቡ ምእንቲ ኸፍርስ ከኣ፡ ኣብ እግሩ ወዲቓ እናበኸየት ለመነቶ።4ሽዑ እቲ ንጉስ ንኣስቴር እታ ዘንጊ ወርቂ ዘርግሓላ። ኣስቴር ከኣ ተንሲኣ፡ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ደው በለት፡5በለት ከኣ፡ ንጉስ እንተ ደኣ ፈትዩስ፡ ኣብ ቅድሚኡውን ሞጎስ እንተ ረኺበ፡ እዚ ነገር እዚ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ጽቡቕ ኮይኑ እንተ ተራእየ፡ ኣነ ድማ ኣብ ኣዒንቱ ፍትውቲ እንተ ኾይነ፡ ሃማን፡ ወዲ ሃመዳታ እቲ ኣጋጋዊ ነቶም ኣብ ኩሉ ሃገራት ንጉስ ዘለው ኣይሁድ ከጥፍእ ኣሚሙ ዝጸሓፈን ደብዳቤታት ክልወጣ ይጸሓፍ።6ኣነ ኸመይ ገይረ እቲ ናብ ህዝበይ ዝመጽእ መከራ ኽርኢ እኽእል፡ በለት።7ሽዑ ንጉስ ኣሓሽዌሮስ ንንግስቲ ኣስቴርን ንማርዶካይ ኣይሁዳውን፡ እንሆ ቤት ሃማን ንኣስቴር ሂበያ ኣሎኹ፡ ንእኡ ድማ፡ ኢዱ ኣብ ልዕሊ ኣይሁድ ስለ ዝዘርግሐ፡ ናብ ጉንዲ ሰቐልዎ።8እቲ ብስም ንጉስ እተጻሕፈን ብቐለቤት ንጉስ እተሓትመን ኣይልወጥን እዩ እሞ፡ ሕጂ ኸኣ ንስኻትኩም ብዛዕባ ኣይሁድ ንኣኻትኩም ቅኑዕ ኮይኑ እተራእየኩም ብስም ንጉስ ጽሓፉ፡ ብቐለቤት ንጉስ ከኣ ሕተምዎ በለ። 9በታ ግዜ እቲኣ ብሳልሰይቲ ወርሒ፡ ንሳ ኸኣ ወርሒ ሲዋን፡ ብመበል ዕስራን ሰለስተን መዓልቲ እቶም ጸሓፍቲ ንጉስ ተጸውዑ። ከምቲ ማርዶካይ ዝኣዘዞ ኹሉ ዘረባ፡ ናይ ኣይሁድን ናብ ሹማምትን ናብ ገዛእትን ናብቶም ሓላቑ ሃገራትን፡ ካብ ህንዲ ኽሳዕ ኢትዮጵያ፡ ሚእትን ዕስራን ሾብዓተን ሃገር፡ በብሃገር ከከም ኣጸሓሕፋኡ፡ ሀህዝቢ ኸኣ በብዘረባኡ፡ ንኣይሁድ ድማ ከም ኣጸሓሕፍኦምን ከም ዘረባኦምን ጸሓፈሎም።10ብስም ንጉስ ኣሓሽዌሮስ ከኣ ጸሓፎ፡ ብቐለቤት ንጉስ ድማ ሓተሞ። ነዚ መልእኽቲውን ኣብ ፈጣን ፈረስን ኣብ ሰጋራት ኣባቕልን ኣብ ባዝራ ፈረስን እተወጥሑ ገይሩ ሰደዶ።11ኣብኡ እቲ ንጉስ ነቶም ኣብ ኩለን ከተማታት ዘለው ኣይሁድ ክእከቡ እሞ ንህይወቶም ክከላኸሉላ፡ ነቶም ሓደጋ ዝወድቅዎም ናይ ኩሉ ህዝብን ሃገርን ሰራዊት ምስናይ ሕጻናቶምን ኣንስቶምን ከጥፍእዎምን ክቐትልዎምን ክድምስስዎምን ገንዘቦም ክዘምቱን ፈቐደሎም።12ብሓንቲ መዓልቲ፡ ኣብ ኩለን ሃገራት ንጉስ ኣሓሽዌሮስ፡ በመብል ዓሰርተው ክልተ ወርሒ፡ ንሳ ወርሒ ኣዳር እያ፡ ብመበል ዓሰርተው ሰለስተ መዓልቲ። 13ኣይሁድ ከኣ በዛ መዓልቲ እዚኣ ንጸላእቶም ሕነ ኸፈድዩ ኸዳለውስ፡ ቅዳሕ እቲ ጽሕፈት ኣብ ኩለን ሃገራት ትእዛዝ ክወሃብ፡ ንኹሎም ህዝብታት ተነግረ።14እቶም ኣፍራስን ኣባቕልን እተወጥሓ ፈጣናይ ልኡኻት ብትእዛዝ ንጉስ ብሃወኽ ወጹ፡ እቲ ትእዛዝ ድማ ኣብ ኣደራሽ ሱሳን ተወህበ። 15ማርዶካይ ድማ ሰማያውን ጻዕዳን ልብሰ መንግስቲ ተኸዲኑ፡ ዓብዩ ዘውዲ ወርቂ ኣብ ርእሱ ደፊኡ፡ ብልሕጺ እንጣጢዕ እተገብረ ዓለባ ቐይሕን ጻዕዳን ተወንዚፉ፡፡ ካብ ቅድሚ ንጉስ ወጸ። ከተማ ሱሳን ከኣ እልል እነበለት ተሓጎሰት።16ንኣይሁድ ብርሃንን ሓጎስን ደስታን ክብረትን ኮነ።17ኣብ ኩለን ሃገራትን ኣብ ኩለን ከተማታትን ቃል ንጉስን ትእዛዙን ናብ ዝበጽሖ ዘበለ ቦታ ንኣይሁድ ሓጎስን ደስታን መብልዕን መስተን ጽቡቕ መዓልትን ኮነ። ካብ ህዝብታት እታ ምድሪ ኸኣ፡ ፍርሃት ኣይሁድ ስለ ዝወደቖም፡ ብዙሓት ኣይሁድ ኮነ።
መ. ኣስቴር ምዕራፍ 9
1ካብ መበል ዓሰርተው ክልተ ወርሒ፡ ንሳ ኸኣ ወርሒ ኣዳር፡ ብመበል ዓሰርተው ሰለስተ መዓልቲ፡ እቲ ቓል ንጉስን ትእዛዙን ዝፍጸመሉ መዓልቲ፡ እቶም ጸላእቲ ኣይሁድ ኣብ ልዕሊኦም ክስልጥኑ ተስፋ ዝገብሩላ ዝነበሩ መዓልቲ፡ ብእኣ እቶም ኣይሁድ ደኣ ኣብ ልዕሊ ጸላእቶም ክስልጥኑ፡ እቲ ነገር ተለወጠ።2እቶም ኣይሁድ ኣብ ኩለን ሃገራት ንጉስ ኣሓሽዌሮስ፡ ናብቶም ክፉእ ክገብርዎም ዝደልዩ ዝነበሩ ኢዶም ክዝርግሑ፡ ናብ ከተማታቶም ተኣከቡ፡ ፍርሃቶም ከኣ ኣብ ኩሎም ህዝብታት ወዲቑ ነበረ እሞ፡ ሰብ ናብ ቅድሚኦም ደው ክብል ኣይከኣለን።3ፍርሃት ማርዶካይ ድማ ኣብ ልዕሊኦም ወዲቑ ነበረ እሞ፡ ኩሎም ሹማምቲ እተን ሃገራትን መኳንንትን ራእስታትን ኩላቶም ዕዮ ንጉስ ዝዓዩን ንኣይሁድ ሓገዙ።4ማርዶካይ ኣብ ቤት ንጉስ ዓብዩ ነበረ እሞ፡ ወሪኡ ናብ ኩለን ሃገራት ወጸ። እዚ ሰብ እዚ ማርዶካይ እዚ እናዓበየ ኸደ።
5ኣይሁድ ንኹላቶም ጸላእቶም ብስሕለት ሴፍ ወቒዖም ቀተልዎም፡ ኣጥፍእዎምውን። ንኹላቶም ጸላእቶም ከም ዝደለዩ ገበርዎም።6ኣብ ኣደራሽ ሱሳን እቶም ኣይሁድ ንሓሙሽተ ሚእቲ ሰብ ቀቲሎም ኣጥፍእዎም።7ጳርሻን ዳታን ደልፎንን ኣስጳታን፡8ጳራታን ኣዳልያን ኣሪዳታን፡9ጳርማሽታን ኣሪሳይን ኣሪዳይን ዋይዛታን፡10ነቶም ዓሰርተ ደቂ ሃማን፡ ወዲ ሃመዳታ ጸላእ ኣይሁድ ቀተልዎም፡ ኣብቲ ምርኮ ግና ኣእዳዎም ኣይዘርግሑን።
11በታ መዓልቲ እቲኣ ቑጽሪ እቶም ኣብ ኣደራሽ ሱሳን እተቐትሉ ናብ ቅድሚ ንጉስ መጸ።12ንጉስ ድማ ንንግስቲ ኣስቴር፡ ኣይሁድሲ ኣብ ኣደራሽ ሱሳን ሓሙሽተ ሚእቲ ሰባት ነቶም ዓሰርተ ደቂ ሃማንን ሓረድዎምን ኣጥፍእዎምን፡ ኣብተን ካልኦት ሃገራት ንጉስ ደኣ ኸምይ ገይሮም ይኹኑ፡ ሕጂኸ እንታይ እዩ ልማኖኺ፡ ኸወሃበኪ እዩ፡ እንታይከ እዩ ድላይኪ፡ ክኾነልኪ እዩ፡ በላ።13ሽዑ ኣስቴር፡ ንጉስ እንተ ደኣ ፈትዩስ፡ ነቶም ኣብ ሱሳን ዘለው ኣይሁድ፡ ጽባሕ ድማ ከምዚ ናይ ሎሚ ዝበለ ትእዛዝ ክገብሩ፡ እቶም ዓሰርተ ደቂ ሃማን ድማ ኣብ ጉንዲ ኸስቀሉ፡ ፍቓድ ይወሃብ፡ በለት።14ንጉስ ከኣ፡ ከምኡ ይገበር በለ። እቲ ትእዛዝ ድማ ኣብ ሱሳን ተዋህበ እሞ፡ እቶም ዓሰርተ ደቂ ሃማን ኣብ ጉንዲ ተሰቕሉ።15እቶም ኣብ ሱሳን ዝነበሩ ኣይሁድ ኣብ ወርሒ ኣዳር ብመበል ዓሰርተው ኣርባዕተ መዓልቲ ተኣከቡ፡ ኣብ ሱሳን ሰለስተ ሚእቲ ሰብ ቀተሉ፡ ኣብ ምርኮ ግና ኣእዳዎም ኣይዘርግሑን።
16እቶም ኣብተን ሃገራት ንጉስ ዝነበሩ ኻልኦት ኣይሁድ ድማ ተኣኪቦም ንህይወቶም ተኸላኸሉላ እሞ፡ ካብ ጸላእቶም ዕረፍቲ ረኸቡ። ካብቶም ዝጸልእዎም ድማ ሰብዓን ሓሙሽተን ሽሕ ቀተሉ። ኣእዳዎም ግና ኣብ ምርኮ ኣይዘርግሑን።17እዚ ኣብ ወርሒ ኣዳር ብመበል ዓሰርተው ሰለስተ መዓልቲ ግና ዓረፉ፡ መዓልቲ መስተን ሓጎስን ከኣ ገበርዋ።18እቶም ኣብ ሱሳን ዝነበሩ ኣይሁድ ግና፡ ኣብታ ወርሒ እቲኣ ብመበል ዓሰርትው ሰለስተን ዓሰርተው ኣርባዕተን መዓልቲ ተኣከቡ። ብመበል ዓሰርተው ሓሙሽተ መዓልቲ ኸኣ ዓረፉ። ንእኣ መዓልቲ መስተን ሓጎስን ገበርዋ።19ስለዚ እቶም ኣብ ዓድታትን ኣብ ዘይትዓርዳ ኸተማታትን ዝነብሩ ኣይሁድ ብወርሒ ኣዳር ብመበል ዓሰርተው ኣርባዕተ መዓልቲ ናይ ሓጎስን መስተን ጽብቕቲ መዓልቲ የብዕሉ፡ ንሓድሕዶም ከኣ ህያብ ይለኣኣኹ ኣለው።
20ማርዶካይ ድማ ነዚ ነገር እዚ ጽሒፉ ኣብ ኩለን ሃገራት ንጉስ ኣሓሽዌሮስ፡ ኣብ ቀረባን ኣብ ርሑቕን ናብ ዘለው ኹላቶም ኣይሁድ ደብዳቤታት ሰደደ።21ኣብ ወርሒ ኣዳር፡ መበል ዓሰርተው ኣርባዕተ መዓልትን ብመበል ዓሰርተው ሓሙሽተ መዓልትን ኣብ ዓዓመት ከብዕልወን ኣዘዞም።22እተን ኣይሁድ ካብ ጸላእቶም ዝዓረፉለን መዓልትታት፡ በዛ ወርሒ እዚኣ ጭንቆም ኣብ ሓጎስ፡ ሓዘኖም ድማ ኣብ ጽቡቕ መዓልቲ እተለወጠሉ፡ ነተን መዓልትታት እቲኤን መዓልትታት መስተን ሓጎስን ክገብርወን፡ ንሓድሕሶም ከኣ ህያባት ክላኣኣኹ፡ ንድኻታት ድማ ምጽዋት ክምጽውቱ ሓገገሎም።
23እቶም ኣይሁድ ድማ ነቲ ዝጀመርዎን ነቲ ማርዶካይ ዝጸሓፈሎምን ክገብርዎ ተቐበልዎ።24ሃማን፡ ወዲ ሃመዳታ እቲ ኣጋጋዊ፡ ጸላእ ኩላቶም ኣይሁድ፡ ንኣይሁድ ከጥፍኦም ኢለ ተተናኸሎሎም፡ ክድምሶሶን ከጥፍኦምን ከኣ ጱር ማለት ዕጭ ኣውደቐሎም። 25እዚ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ምስ መጸ ግና፡ ንሱ ብደብዳበ ገይሩ እቲ ሃማን ንኣይሁድ እተተናኸሎሎም ሕሱም ተንኮል ኣብ ርእሱ ይመለስ፡ ንሱን ደቁን ድማ ኣብ ጉንዲ ይሰቐሉ፡ ኢሉ ኣዘዘ።26ስለዚ እዘን መዓልትታት እዚኤን፡ ከምቲ ስም ጵር ጵኡሪም ኢሎም ሰመይወን። እምበርኣርሲ ኸምቲ ኣብዛ መልእኽቲ እዚኣ እተጻሕፈ ኹሉ ቓላትን፡ ከምቲ ብዛዕባ እዚ ነገር እዚ ዝረኣይዎን፡ ከምቲ ዝረኸቦም ኩሉን፡27እቶም ኣይሁድ ንርእሶምን ንዘርኦምን ንኹሉ ናባታቶም እተጸግዐን እዘን ክልተ መዓልቲ እዚኤን፡ ከምቲ ተጽሒፉ ዘሎ፡ በብእዋኑ በብዓመቱን ከየዝበሉ ኸብዕሉ ተቐቢሎም ኣጽንዕዎ።28እዘን መዓልትታት እዚኤን ኣብ ኩሉ ወለዶታት ኣብ በብዓሌቱን ኣብ ሃሃገርን ኣብ ከከተማኡን ክዝከራን ክባዓላን፡ እዘን መዓልትታት ጵሪም እዚኤን ኣብ ማእከል ኣይሁድ ምብዓለን ኣይክተርፍን ዝኸረን ድማ ካብ ዘርኦም ከቶ ኣይክጠፍእን እዩ።
29ንግስቲ ኣስቴር ጓል ኣቢሓይልን ማርዶካይ ኣይሁዳውን፡ እታ ብዛዕባ ጲሪም እተዛረብ፡ ካልአይቲ ደብዳበ ብምሉእ ሓይሎም ከጽንዕዋ ኢሎም ጸሓፉ።30ነተን ደብዳቤተትን ናብ ኩላቶም ኣይሁድ፡ ናብተን ሚእትን ዕስራን ሾብዓተን ሃገር መንግስቲ ኣሓሽዌሮስ፡ ብዘረባ ሰላምን እምነት ገይሩ፡ ዝለኣኸንሲ፡31እዘን መዓልትታት ጲሪም፡ ከምቲ ማርዶካይ ኣይሁዳውን ንግስቲ ኣስቴርን ዝሓገግዎ፡ ኣብቲ እተመደበለን ግዜ ኽጸንዓ፡ ከምቲ ንርእሶምን ንዘርኦምን ብናይ ጾምን ምህልላን ዝሰርዕዎ ኸኣ ኸጸንዕ ኢሉ እዪ።32በዚ ኸምዚ ትእዛዝ ኣስቴር ነዚ ናይ ጵሪም ነገር ኣጽንዖ። እዚ ኸኣ ኣብ መጽሓፍ ተጻሕፈ።
መ. ኣስቴር ምዕራፍ 10
1ንጉስ ኣሓሽዌሮስ ከኣ ኣብታ ምድርን ኣብ ደሴታት ባሕርን ግብሪ ኣውደቐ።2ናይ ሓይሉን ናይ ጅግንነቱን ኩሉ ግብሪ ንጉስ ንማርዶካይ ከመይ ገይሩ ኸም ዘዕበዮ፡ ምሉእ ዛንታ ዕቤቱ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት ሜዶንን ፋርስን ተጽሒፋዶ ኣየሎን፡3ማርዶካይ እቲ ኣይሁዳዊ ንንጉስ ኣሓሽዊሮስ ካልኣዩ ነበረ እሞ፡ ኣብ ኣይሁድ ክቡር፡ በቶም ብዙሓት ኣሕዋቱ ኸኣ ፍትዊ፡ ንህዝቡ ጽቡቕ ደለየ፡ ንኹላቶም ዘርኡ ደሓኖም ተዛረበ።