ትንቢት ዮናስ

   ትን.ዮናስ  ምዕራፍ 1
   1-2ንዮናስ ወዲ ኣሚታይ፡ ተንስእ እሞ ናብ ነነዌ፡ ናብታ ዓባይ ከተማ፡ ኪድ። እከዮም ናብ ቅድመይ ደዮቡ እዩ እሞ፡ ኣንጻሮም ኣውጅ፡ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር መጾ። 
3ዮናስ ግና ካብ ገጽ እግዚኣብሄር ናብ ተርሲስ ክሃድም ኢሉ ተበገሰ፡ ናብ ያፋ ኸኣ ወረደ፡ ናብ ተርሲስ እትሓልፍ መርከብ ድማ ረኸበ። ካብ ገጽ እግዚኣብሄር ርሒቑ፡ ምሳታቶም ናብ ተርሲስ ክኸይድ ከኣ ዋጋ ኸፊሉ ናብ መርከብ ኣተወ። 
4እግዚኣብሄር ድማ ናብቲ ባሕሪ ህቦብላ ንፋስ ሰደደ፡ እታ መርከብ ክትስበር ክሳዕ እትቐርብ፡ ኣብቲ ባሕሪ ብርቱዕ ማዕበል ኰነ። 5እቶም ባሕረኛታት ድማ ፈርሁ፡ ነፍሲ ወከፎምውን ነናብ ኣምላኹ ተማህለለ። ምእንቲ ኽፈዅሰሎም ከኣ፡ ነቲ ኣብታ መርከብ ዝነበረ ኣቓሑ ናብ ባሕሪ ደርበይዎ። ዮናስ ግና ናብቲ ታሕታይ ክፍሊ እታ መርከብ ደቂሱ ነበረ። 6እቲ ሓለቓ መርከብ ናብኡ ቐረበ እሞ፡ ኣታ ደቃሲ፡ እንታይ ትገብር ኣሎኹ፡ ተንስእ፡ምናልባሽ እቲ ኣምላኽካ ከይንጠፍ እንተሓሰበናስ፡ ናብ ኣምላኽካ ተማህለል፡በሎ። 7ንሓድሕዶም ድማ፡ እዚ መከራ እዚ ብሰሪ መን ከም ዝረኽበና ዘሎ ኽንፈልጥሲ፡ ንዑ ዕጭ ነውድቕ፡ ተባሃሃሉ። ዕጭ ኣውደቑ፡ እታ ዕጭውን ኣብ ዮናስ በጽሐት። 
8ሽዑ ንሳቶም፡ ንገረና ዀታ፡ እዚ ረኺቡና ዘሎ መከራስ ብሰሪ መን እዩ፡ ዕዮኻ እንታይ እዩ፡ ካበይከ መጻእካ፡ ኣየናይ እዩ ሃገርካ፡ ካብ ኣየናይ ህዝቢኸ ኢኻ፡ በልዎ። 9ንሱ ኸኣ፡ ኣነ እብራዊ እየ፡ ነቲ ባሕርን ንቑጽን ዝገበረ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰማይውን እፈርሆ እየ፡ በሎም። 10ሽዑ እቶም ሰባት ንሱ ካብ ገጽ እግዚኣብሄር ርሒቑ ኸም ዝሃደመ፡ ባዕሉ ስለ ዝነገሮም፡ ፈለጡ፡ ዓብዪ ፍርሃትውን ፈርሁ እሞ፡ ስለምንታይ ደኣ እዚ ገበርካ፡ ከኣ በልዎ። 11እቲ ባሕሪ ማዕበሉ እናበርትዐ ይኸይድ ነበረ እሞ፡ ንሳቶም፡ ባሕሪ ኽሃድኣልናስ እንታይ ንግበርካ፡ በልዎ። 12ንሱ ድማ፡ እዚ ብርቱዕ ማዕበል ብሰረይ ከምዝበጽሓኩም፡ እፈልጥ ኣሎኹ እሞ፡ ወሲድኩም ናብ ባሕሪ ደርብዩኒ፡ እቲ ባሕሪ ኸኣ ክሃድኣልኩም እዩ፡ በሎም። 
13እቶም ሰባት ናብ ምድሪ ኽምለሱ ብምቕዛፍ ይጋደሉ ነበሩ፡ ግናኸ እቲ ባሕሪ ማዕበሉ እናበርትዖም ስለ ዝኸደ ኣይኰነሎምን። 14ሽዑ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ንልምነካ ኣሎና፡ ምእንቲ ነፍሲ እዚ ሰብኣይ እዚ ኣይተጥፍኣና። ንስኻ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ከም ዝፈቶኻዮ ጌርካ ኢኻ እሞ፡ ንጹህ ደም ኣብ ልዕሌና ኣይተንብር፡ ኢሎም ናብ እግዚኣብሄር ኣእወዩ። 15ንዮናስ ወሲዶም ድማ ናብ ባሕሪ ደርበይዎ፡ እቲ ባሕሪ ከኣ ካብ ምንዋጽ ሃድአ። 16እቶም ሰባት ከኣ ንእግዚኣብሄር ሰውኡሉ፡ መብጽዓውን ተማባጽዑ።

   ትን.ዮናስ  ምዕራፍ 2
   1እግዚኣብሄር ንዮናስ ዝውሕጥ ዓብዪ ዓሳ ኣዳለወ። ዮናስ ከኣ ኣብ ከብዲ ዓሳ ሰለስተ መዓልትን ሰለስተ ለይትን ገበረ። 2ዮናስ ኣብ ከብዲ ዓሳ ዀይኑ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ጸለየ። 3በለ ድማ፡ ካብ መከራይ እተላዕለ ናብ እግዚኣብሄር ኣእዌኹ፡ ንሱ ኸኣ መለሰለይ። ኣብ ከብዲ ሲኦል ኰይነ ኣእዌኹ፡ ንስኻውን ድምጸይ ሰማዕካ። 4ንስኻ ናብቲ መዓሙቝ፡ ናብ ልቢ ባሕሪ፡ ደርቤኻኒ፡ ወሓይዝ ከበበኒ፡ ኵሉ ማዕበልካን ሞገድካን ብልዕለይ ሓለፈ 5ኣነ ኸኣ በልኩ፡ ካብ ቅድሚ ኣዒንትኻ ተሰጐጕኩ፡ ግናኸ ናብ ቅዱስ መቕደስካ መሊሰ ኽጥምት እየ። 6ማያት ክሳዕ ነፍሰይ ከበበኒ፡ መዓሙቝ ኣብ ዙርያይ ነበረ ሳዕሪ ባሕሪ ኣብ ርእሰይ ተጠምጠመ። 7ናብ መሰረት ኣኽራን ወረድኩ፡ መሃርሃሪታት ምድሪ ንሓዋሩ ኣብ ልዕለይ ኰነ፡ ግናኸ ንስኻ፡ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፡ ንህይወተይ ካብ ጕድጓድ ኣውጻእካያ። 8ነፍሰይ ኣብ ውሽጠይ ምስ ኣሕለለወት፡ ንእግዚኣብሄር ዘከርክዎ፡ ጸሎተይ ናባኻ፡ ናብቲ ቅዱስ መቕደስካ ኣተወ። 9እቶም ናብ ሓሰውቲ ኸንቱነት ዘድህቡ፡ ጸጋኦም ይሓድጉ። 10እግዚኣብሄር ነቲ ዓሳ ኣዘዞ፡ ንሱውን ንዮናስ ናብ ንቑጽ ምድሪ ተፍኦ።

   ትን.ዮናስ  ምዕራፍ 3            
   1-2ንዮናስ፡ ተንስእ፡ ናብ ነነዌ፡ ናብታ ዓባይ ከተማ፡ ኪድ፡ ኣነ ዝእዝዘካ ኣዋጅ ከኣ ኣውጀላ፡ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ካልኣይ ግዜ መጾ። 
   3ዮናስ ከምቲ ቓል እግዚኣብሄር ተንስኤ፡ ናብ ነነዌውን ከደ። ነነዌ ግና ኣዝያ ዓባይ ከተማ፡ መገዲ ሰለስተ መዓልቲ እያ። 4ዮናስ ናብታ ኸተማ ኽኣቱ መገዲ ሓንቲ መዓልቲ ጀመረ እሞ፡ ነነዌ ኣርብዓ መዓልቲ ጸኒሓ ኽትግምጠል እያ፡ ኢሉ ኣወጀ። 
   5ሰብ ነነዌ ኸኣ ንኣምላኽ ኣመኑ፡ ጾም ድማ ኣወጁ፡ ካብ ዓበይቶም ክሳዕ ናእሽቱኦምውን ክሻ ተኸድኑ። 6እዚ ወረ እዚ ናብ ንጉስ ነነዌ በጽሐ፡ ካብ ዝፋኑ ተንስኤ፡ ባርኖሱ ቐንጠጠ፡ ክሻ ተኸድነ፡ ኣብ ሓሙዅስቲ ድማ ተቐመጠ። 7ኣብ ነነዌ ብትእዛዝ ንጉስን መኳንንቱን ከምዚ ዝብል ኣዋጅ ተኣወጀ፡ ሰብ ወይስ እንስሳ፡ መጓሰ ኸብቲ ወይስ መጓሰ ኣባጊዕ ሓንቲ እኳ ኣይጥዓማ፡ ኣይውፈራ፡ ማይውን ኣይስተያ፡ 8ሰብን እንስሳን ክሻ ይከደኑ፡ ዓው ኢሎም ድማ ናብ ኣምላኽ የእውዩ። ነፍሲ ወከፍ ከኣ ካብ እኩይ መገዱን ካብቲ ኣብ ኢዱ ዘሎ ዓመጽን ይመለስ። 9ኣምላኽ እንተ ተመልሰን እንተ ተጣዕሰን፡ ንሕና ኸይንጠፍእ ከኣ ካብ ጕሁር ቍጥዓኡ እንተ ተመልሰን፡ መን ይፈልጥ፡ 
   10ኣምላኽ ከኣ ካብ እኩይ መገዶም ከም እተመልሱ፡ ግብሮም ረኣየ፡ ኣምላኽውን ነቲ ኸውርደሎም ኢሉ እተዛረቦ መዓት ተጣዕሰሉ፡ ኣይገብሮን ከኣ።

   ትን.ዮናስ  ምዕራፍ 4
   1ግናኸ እዚ ንዮናስ ኣዝዮ ኣጕሃዮ፡ ኰረየውን። 2ናብ እግዚኣብሄር ጸለየ በለ ድማ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ እልምነካ ኣሎኹ፡ እቲ ኣብ ሃገረይ ከሎኹ እተዛረብክዎስ እዚዶ ኣይኰነን፡መሓርን ርሕሩሕን ንዅራ ደንጓይን ብዓል ዓብዪ ሳህልን ንእኩይ እትጥዓሰሉን ኣምላኽ ከም ዝዀንካ ስለ ዝፈለጥኩ፡ ስለዚ እየ ቐዲመ ናብ ተርሲስ ዝሃደምኩ። 3ዎ እግዚኣብሄር፡ እምብኣርሲ ሕጂ ኻብ ብህይወት ምንባር ሙማት ይሕሸኒ እሞ፡ እልምነካ ኣሎኹ፡ ንነፍሰይ ካባይ ውሰዳ። 4እግዚኣብሄር ድማ፡ ብምዅራይካስ ጽቡቕዶ ትገብር ኣሎኻ፡ በለ። 
5ዮናስ ከኣ ካብታ ኸተማ ወጸ፡ ኣብ ወገን ምብራቕ እታ ኸተማውን ተቐመጠ። ኣብኣ ንርእሱ ዳስ ገበረ። ነታ ኸተማ ዝወርዳ ኽርኢ ድማ፡ ኣብ ትሕቲኡ ኣብ ጽላል ተቐመጠ። 6እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ ንዮናስ ርእሱ ኸተጽልሎ እሞ ኻብ ሕሰሙ ኸተናግፎ ኢሉ፡ ጕልዒ ኣዳለወ፡ ኣብ ልዕሊኡ ድማ ኣዕበያ። ዮናስውን በታ ጕልዒ ኣዝዩ ተሓጎሰ። 7ግናኸ ንጽብሒቱ ምስ ወግሐ፡ ኣምላኽ ሓሰኻ ኣዳለወ፡ ንሱ ኸኣ ነታ ጕልዒ ወቕዓ እሞ ነቐጸት። 8ጸሓይ ምስ በረቐት ድማ፡ ኣምላኽ ውዑይ ንፋስ ምብራቕ ኣዳለወ፡ ጸሓይ ከኣ ንዮናስ፡ ክሳዕ ዘሕለሉ፡ ርእሱ ወቕዓቶ፡ ንሱውን፡ ካብ ብህይወት ምንባርሲ ሙማት ይሕሸኒ፡ ኢሉ ንነፍሱ ሞት ለመነላ። 
9ኣምላኽ ከኣ ንዮናስ፡ በታ ጕልዒ ኽትቍጣዕዶ ይግብኣካ እዩ፡ በሎ። ንሱ ድማ፡ ክሳዕ  ሞት ክቝጣዕ እኳ ይግብኣኒ እዩ፡በለ። 10እግዚኣብሄር ከኣ በሎ፡ ንስኻ በታ ዘይደኸምካላን ዘየዕቤኻያን፡ ብሓንቲ ለይቲ ዝበቘለት ብሓንቲ ለይቲ ድማ ዝጠፍአት ጕልዒ ጕሂኻ። 11ኣነኸ ነታ ዓባይ ከተማ ነነዌ፡ የማኖም ካብ ጸጋሞም ክፈልዩ ዘይኽእሉ፡ ካብ ሚእትን ዕስራን ሽሕ ዝበዝሑ ሰብን ብዙሓት እንስሳን ዘለውዋዶ ኣይርሕርሓላን እየ፡

Leave a Reply

መጽሓፍ ቅዱስ ትግርኛ
ብሉይን ሓድሽን ኪዳን
ብሉይ ኪዳን
ሓድሽ ኪዳን
መጽሓፍ ቅዱስ ትግርኛ
ብሉይን ሓድሽን ኪዳን

ብሉይ ኪዳን

ሓድሽ ኪዳን