መጽሓፍ እዮብ

        መ. እዮብ  ምዕራፍ 1            

   1ኣብ ምድሪ ኡጽ እዮብ ዝበሃል ሰብኣይ ነበረ። ንሱ ፍጹምን ቅኑዕን ንኣምላኽ ዝፈርህን ካብ ክፋእ ዝረሓቐን ሰብኣይ ነበረ። 2ንሱ ሾብዓተ ኣወዳትን ሰለስተ ኣዋልድን ተወሊዶምሉ ነበሩ። 3ጥሪቱ ድማ ሾብዓተ ሽሕ በጊዕ፡ ሰለስተ ሽሕ ገመል፡ ሓሙሽተ ሽሕ ጽምዲ ብዕራይ፡ ሓሙሽተ ሚእቲ ውላድ ኣድጊ ነበረ፡ ብዙሓት ግዙኣትውን ነበርዎ። እዚ ሰብኣይ እዚ ኻብ ኲሎም ሰብ ምብራቕ ዝበልጽ ዓብዪ ነበረ።
4እቶም ደቁ ድማ፡ በብታራኦም እናተዓዳደሙ፡ ሓደ መዓልቲ ኣብ ቤት እቲ ሓደ፡ ካልኣይ መዓልቲውን ኣብ ቤት እቲ ኻልእ ይምስሑ ነበሩ። ነተን ሰለስተ ኣሓቶም ከኣ፡ ምእንቲ ምሳታቶም ክበልዓን ክሰትያን፡ ይጽውዕወን ነበሩ። 5እተን ንምሳሕ ዝእከቡለን መዓልትታት ምስ ሓለፋ ኸኣ፡ እዮብ ልኢኹ ይቕድሶም ነበረ። ኣንጊሁ ተንሲኡ ድማ ብቑጽሪ ነፍሲ ወከፎም መስዋእቲ ምሕራር የዕርግ ነበረ። እዮብ፡ እዞም ደቀይ ምናልባሽ በዲሎም፡ ንኣምላኽ ከኣ ብልቦም ክሒዶም ይዀኑ፡ ኢሉ ነበረ እሞ፡ ኲሉ ግዜ ኸምዚ ይገብር ነበረ።
6ሓደ መዓልቲ ግና ዀነ፡ እቶም ደቂ ኣምላኽ መጺኦም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቈሙ። ሰይጣን ከኣ ኣብ ማእከሎም መጸ። 7ሽዑ እግዚኣብሄር ንሰይጣን፡ ካበይ መጺእካ በሎ። ሰይጣን ድማ፡ ንምድሪ ዘይረያን ተመላሊሰያን መጻእኩ፡ ኢሉ ንእግዚኣብሄር መለሰሉ። 8እግዚኣብሄር ከኣ ንሰይጣን፡ ከም እዮብ ገይሩ ንኣምላኽ ዝፈርህን ካብ ክፋእ ዝርሕቕን ፍጹምን ቅኑዕን ሰብ ኣብ ምድሪ የልቦን እሞ፡ ንባርያይ እዮብስ ኣስተብሂልካዮዶ በሎ። 9ሰይጣን ከኣ ንእግዚኣብሄር መለሰሉ በሎውን፡ እዮብ ንኣምላኽ ዝፈርሆስ ብኸምኡ ድዩ፧ 10ንስኻ ንእኡ ምስ ቤቱን ኣብ ዙርያኡ ዘለዎ ዂሉንዶ ሓጺርካዮ ኣየሎኻን ንተግባር ኢዱ ባረኽካዮ፡ ጥሪቱ ድማ ንምድሪ መሊእዎ ኣሎ። 11ግናኸ፡ ኣብታ ገጽካ እንተ ዘይክሒዱካስ፡ ኢድካ ዘርጊሕካ ደሞ ንዂሉ ጥሪቱ ሃሰስ ኣይትብሎን፡ ኢሉ መለሰሉ። 12ሽዑ እግዚኣብሄር ንሰይጣን፡ በሎ እስኪ፡ ሓንትስ ናብኡ ደኣ ኢድካ ኣይትዘርግሕ እምበር፡ ዘለዎ ዂሉ ኣብ አድካ ሂበካ እኔኹ፡ በሎ። ሰይጣን ከኣ ካብ ገጽ እግዚኣብሄር ወጸ።
13ኰነ ድማ፡ ሓደ መዓልቲ እቶም ኣወዳቱን ኣዋልዱን ኣብ ቤት እቲ ዓብዪ ሓዎም ክበልዑን ወይኒ ኽሰትዩን ከለው፡ 14መእወዪ ናብ እዮብ መጺኡ፡ እቶም ኣብዑር ይሕረሱ፡ እተን ኣእዱግ ድማ ኣብ ጥቓኣቶም ይበልዓ ነበራ፡ 15ሽዑ ሰብ ሳባ መጺኦም ዘሚቶምዎም። ነቶም ግዙኣት ብስሕለት ሴፍ ቀቲሎምዎም። ኣነ በይነይ ጥራይ እየ ነዚኣ ኽነግረካ ዘምለጥኩ፡ በሎ።
16እዚ ገና ኽዛረብ ከሎ ኸኣ፡ ካልእ መጺኡ፡ ናይ ኣምላኽ ሓዊ ኻብ ሰማይ ወሪዳ፡ ነተን ጤለ በጊዕን ንግዙኣትን ኣንደደቶምን በልዓቶምን። ኣነ በይነይ ጥራይ እየ ነዚኣ ኽነግረካ ዘምላጥኩ፡ በሎ።
17እዚ ገና ኽዛረብ ከሎ ኸኣ፡ ካልእ መጺኡ፡ ከልዳውያን ብሰለስተ ሰልፊ ዀይኖም፡ ኣብተን ኣግማል ሓደጋ ወዲቖም ዘሚቶምወን፡ ነቶም ግዙኣትውን ብስሕለት ሴፍ ቀቲሎምዎም። ኣነ በይነይ ጥራይ እየ ነዚኣ ኽነግረካ ዘምለጥኩ፡ በሎ።
18እዚ ገና ኽዛረብ ከሎ ኸኣ፡ ካልእ መጹኡ፡ ኣወዳትካን ኣዋልድካን ኣብ እንዳ እቲ ዓብዪ ሓዎም ይበልዑን ወይኒ ይሰትዩን ነበሩ፡ 19ሽዑ ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ካብ በረኻ መጺኡ፡ ነታ ቤት በርባዕተ መኣዝና፡ ወቕዓ፡ ናብ ርእሲ እቶም ደቂ ድማ ወደቐት፡ ንሳቶም ከኣ ሞይቶም። ኣነ በይነይ ጥራይ እየ ነዚኣ ኽነግረካ ዘምለጥኩ፡ በሎ።
20-21ሽዑ እዮብ ተንሲኡ ኽዳኑ ቐደደ ርእሱውን ላጸየ እሞ፡ ጥራየይ እየ ኻብ ከርሲ ወላዲተይ ዝወጻእኩ፡ ጥራየይ ከኣ ናብኣ ኽምለስ እየ። እግዚኣብሄር ሃበ፡ እግዚኣብሄር ድማ ወሰደ። ስም እግዚኣብሄር ይባረኽ፡ ኢሉ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ሰገደ።
22በዚ ዂሉ እዮብ ኣይበደለን፡ ንኣምላኽውን ኣይነቐፎን።

        መ. እዮብ  ምዕራፍ 2            

   1ኰነ ኸኣ፡ ሓደ መዓልቲ እቶም ደቂ ኣምላኽ መጺኦም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቈሙ። ሰይጣን ድማ መጺኡ፡ ኣብ ማእከሎም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቈመ። 2እግዚኣብሄር ድማ ንሰይጣን፡ ካበይ መጺእካ በሎ። ሰይጣን ከኣ ንእግዚኣብሄር፡ ንምድሪ ዞይረያን ተመላሊሰያን መጻእኩ፡ ኢሉ መለሰሉ። 3ሽዑ እግዚኣብሄር ንሰይጣን፡ ከም እዮብ ገይሩ ንኣምላኽ ዝፈርሆ፡ ካብ ክፋእ ዝርሕቕ፡ ፍጹምን ቅኑዕን ሰብ ኣብ ምድሪ የልቦን እሞ፡ ንእዮብ ባርያይ ኣስተብሂልካዮዶ ብዘይ ምኽንያት ከጥፍኦ ኣላዓዒልካኒ ኽነስኻስ፡ ክሳዕ ሕጂ ንሱ ፍጹም ኰይኑ ይጸንዕ ኣሎ፡ በሎ። 4ሰይጣን ድማ ንእግዚኣብሄር፡ ቈርበት ኣብ ክንዲ ቘርበት። ሰብ ኣብ ክንዲ ህይወቱ ዘለዎ ዂሉ ይህብ እዩ። 5ግናኸ፡ ኣብ ገጽካ እንተ ዘይክሒዱካስ፡ ኢድካ ዘርጊሕካ ደሞ ስጋኡን ዓጽሙን ሃሰስ ኣይትብሎን፡ ኢሉ መለሰሉ። 6እግዚኣብሄር ከኣ ንሰይጣን፡ በል እስኪ ኣብ ኢድካ ሂበዮ እኔኹ፡ ንህይወቱ ግና ተጠንቀቕ፡ በሎ። 7ሽዑ ሰይጣን ካብ ገጽ እግዚኣብሄር ወጺኡ ኸደ እሞ፡ ንእዮብ ካብ ሸዀና እግሩ ሒዙ ኽሳዕ ቅርቅርቱ ብብርቱዕ ቁስለተ ስጋ ወቕዖ።
8እዮብ ድማ ምእንቲ ኽሓከሉ ገልዒ ሒዙ ኣብ ሓመዂሽቲ ተቐመጠ። 9ሽዑ እታ ሰበይቱ፡ ገናዶ ፍጹም ኴንካስ ጸኒዕካ ትነብር ኣሎኻ ንኣምላኽ ግዳ ኽሓዶ እሞ ሙት፡ በለቶ። 10ንሱ ግና፡ ንስኺ ኣዘራርባ ዓሻ ሰበይቲ ትዛረቢ ኣሎኺ። ካብ ኢድ ኣምላኽ ሰናይ ተቐቢልናስ፡ ነቲ እኩይከ ኣይንቕበሎንዶ በላ።
እዮብ በዚ ዂሉ ነገር ብኽናፍሩ ኣይሓጥአን።
11ሰለስተ ፈተውቲ እዮብ፡ ኤሊፋዝ ቴማናዊ፡ ቢልዳድ ሹዋዊ፡ ሶፋር ናዕማዊ፡ እቲ ዝወረዶ መከራ ሰሚዖም ካብ ዓዓዶም ናብኡ መጹ። ንሳቶም፡ ምስኡ ኽንሓዝንን ከነጸናንዖንሲ፡ ንዑናይ ንኺድ፡ ተባሃሃሉ።
12ካብ ርሑቕ ኣማዕድዮም ጠሚቶም ምልላዩ ምስ ሰኣኑ ግና፡ ዓው ኢሎም በኸዩ፡ ነፍሲ ወከፎም ድማ ክዳውንቶም ቀደዱ፡ ሓመድ ከኣ ናብ ሰማይ ኣቢሎም ናብ ኣራእሶም ነስነሱ። 13ድሕሪ እዚ ኸኣ ሾብዓተ መዓልትን ሾብዓተ ለይትን ምስኡ ኣብ ምድሪ ተቐመጡ። ቃንዛ በርቲዕዎ ስለ ዝረኣዩ ኸኣ፡ ሓንቲ ቓል እኳ ኣይተዛረብዎን።

        መ. እዮብ  ምዕራፍ 3            

      1ድሕርዚ እዮብ ኣፉ ኸፊቱ ንመዓልቲ ልደቱ ረገማ።2እዮብ ከምዚ ኢሉ ተዛረበ፡

3እታ ኣነ እተወለድኩላ መዓልትን

እታ ወዲ ተጠኒሱ እተባህለትላ ለይትን ትደምስስ።

4እታ መዓልቲ እቲኣ ጸልማት ትኹን፡

ኣምላኽውን ካብ ላዕሊ ኣይቋመታ፡

ብርሃን ከኣ ኣይብርሃያ።

5ጸልማት ድነ ሞትን ናትና እያ ኢሎም ይሓዝዋ፡

ደበና የጐልብባ፡

እቲ ንመዓልቲ ዘጸልምት ከኣ የሸብራ።

6ነታ ለይቲ እቲኣ ጸልማት ይመንጥላ፡

ምስተን ናይ ዓመት መዓልትታት ኣይትተሓወስ፡

ኣብ ቁጽሪ ኣዋርሕውን ኣይትእቶ።

7እታ ለይቲ እቲኣ መኻን ትኹን፡

እልልታውን ኣይእተዋ።

8እቶም ንመዓልቲ ዝረግሙ

ንሌዋታን ድማ ከንቀሳቕሱ ዝኽእሉ ይርገምዋ።

9-10ንሳ ነቲ መዓጹ ማሕጸን ወላዲተይ ስለ ዘይዓጸወቶ፡

ነቲ መከራስ ካብ ዓይነይ ስለ ዘይከወለቶ፡

ናይ ኣጋ ጽባሕ ከዋኽብቲ ይጸልምቱ፡

እቲ እተጸበየቶ ብርሃን ኣይምጽኣያ፡

ናይ ወጋሕታ ቕርኒብ ዓይኒ ከቶ ኣይትርአ።

11ስለምንታይከ ኣብቲ ማሕጸን ዘይሞትኩ፡

ካብኡ ወጺአስ ብኡብኡ ዘይጠፋእኩ፧

12ስለምንታይከ ኣብራኽ፡

ኣጥባትሲ ኽጠቡ ንምንታይ ተቐበላኒ፡

13-15ከምዚ ሕጂ ሃዲአ በጥ ምበልኩ፡

ምስቶም ነገስታትን መኸርቲ ምድርን፡

ምስቶም ናይ መቓብር ኣደራወት ዘስርሑ፡

ምስቶም ብዙሕ ወርቂ ዝደለቡ፡

ኣባይቶምውን ብብሩር ዝመልኡ መሳፍንቲ

ደቂሰ ምዓረፍኩ ነይረ።

16ወይስ ከም እተቐብረ ቑላዕ፡

ከምቲ ብርሃን ዘይረኣየ ሕጻን ኣይምዀንኩን ነይረ።

17ኣብኡስ እቶም ረሲኣን እኳ ቑጥዓ ሓዲጎም፡

እቶም ዝላሕልሑውን ኣብኡ ዓሪፎም ኣለው።

18እቶም እሱራትውን ብሓባር ሃዲኦም፡

ድምጺ እቶም ሳቐይቶም ኣይሰምዑን ኣለው።

19ኣብኡስ ንእሽቶን ዓብይን ሓደ እዮም፡

ባርያውን ካብ ጐይታኡ ሓራ ወጺኡ እዩ።

20ነቲ ምግዱርክ ስለምንታይ እዩ ብርሃን ዝሃቦ፧

አረ ነቶም መሪር ስቓይ ዝሳቐዩስ

ንምንታይ ህይወት ሃቦም፡

21እቶም ንሞት ከም ሕብእ መዝገብ

እናዀዓቱ ዝደልይዎ እሞ ዝይረኽብዎ፡

22እቶም ንመቓብር ምስ ረኸቡ፡

እልል እናበሉ ኣዝዮም ዝሕጐሱ፡

23ነቲ መገዱ ሕቡእ ዝዀነ፡

ነቲ ኣምላኽ ብሓጹር ዝኸበቦ ሰብሲ

ስለምንታይ እዩ ብርሃን ዝሃቦ፧

24እህህታይ ቅድሚ እንጌራይ ይመጽእ፡

ምንኣኸይ ከም ማይ ይፈስስ ኣሎ።

25እቲ ዝፈራህክዎ ነገር መጺኡኒ፡

እቲ ዝስቀቖ ዝነበርኩ ኸኣ ወሪዱኒ።

26ዕረፍቲ ስኢነ፡ ህድኣትን ዝግታን የብለይን፡

ዓቕለይ ጸቢቡኒ እኔኹ።

        መ. እዮብ  ምዕራፍ 4            

     1ድሕርዚ ኤሊፋዝ ቴማናዊ ኸምዚ ኢሉ መለሰ፡

2ክንዛረበካ እንተ ንፍትንሲ፡ ምጒሄኻዶ፧

ዘረባኡ ኽገትእ ዝኽእልከ መን ኣሎ፧

3እንሆ፡ ንብዙሓት መዓድካዮም፡

ንዝደኸማ ኣእዳው ከኣ ኣበርታዕካየን።

4ዘረባኻ ነቶም ሰንከልከል ዝብሉ ኣቕንዖም፡

ንዝደኸማ ኣብራኽውን ኣጽናዕካየን።

5ሕጂ ናባኻ እንተ በጽሐ ግና፡ ምጽዋሩ ስኢንካ፡

ናባኻ እንተ ወረደ፡ ተሸቢርካ እኔኻ።

6እቲ ንኣምላኽ ምፍራህካስ እሙንቶኻ፡

እቲ መገድኻ ፍጹም ምዃኑ ኸኣ ተስፋኻዶ ኣይኰነን፡

7እስኪ ተመልከት፡ ንጹህ ከም ዝጠፍአ፡

ቅኑዕውን ከም እተደምሰሰዶ ርኢኻ ትፈልጥ፧

8ኣነስ ከምዚ ደኣ ርአኹ፡ እቶም ሓጢኣት ዝሓርሱ፡

መከራ ኸኣ ዝዘርኡ፡ ንእኡ ይዓጽድዎ።

9ንሳቶም ብእስትንፋስ ኣምላኽ ይጠፍኡ፡

ብመንፈስ ቁጥዓኡ ይበኑ።

10ምጒዛም ኣንበሳ፡ ድምጺ እቲ ጓዛሚ፡

ኣስናን ሽደን ኣንበሳውን ይስበር።

11እቲ ኣረጊት ኣንበሳ ዝነጥቕ ስኢኑ እዩ እሞ ይመውት፡

ኰራኲር ኣንበሳ ኸኣ ፋሕ ይብሉ።

12ንኣይ ግና ቓል ብሕቡእ መጸኒ፡

እዝነይ ከኣ ንሕሽዂሽዂ ተቐበሎ፡

13በቲ ናይ ለይቲ ራእይ ሓሳባት

ንሰባት ብርቱዕ ድቃስ ምስ ወደቖም፡

14ፍርሃትን ረዓድን ሓዘኒ እሞ፡

ንብዘሎ ኣዕጽምተይ ኣናወጾ።

15ሓደ መንፈስ ብቕድመይ ሓለፈ፡

ጸጒሪ ስጋይ ተኸየፈ።

16ንሱ ቘመ፡ መልክዑ ግና ኣየለሌኽዎን፡

ረቂቕ መንፈስ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ፡

ስቕታ ነበረአ፡ ድምጺ ኸኣ ሰማዕኩ፡

17መዋቲ ሰብዶ ኻብ ኣምላኽ ይጸድቕ እዩ፡

ሰብዶ ኻብ ፈጣሪኡ ይነጽህ እዩ፧

18እንሆ፡ ነቶም ኣገልገልቱ እኳ ኣይኣምኖምን

ንመላእኽቱውን ጒድለት ይረኽበሎም።

19እምበኣርሲ እቶም መሬት ዝቤቶም፡

ሓመድ ዝመሰረቶም፡

ከም ሓሰኻ ኽጭፍለቑ እዮም።

20ካብ ንግሆ ኽሳዕ ምሸት ይቑረጹ፡

ንሓዋሩ ይጠፍኡ፡ ዝሓስቦውን የልቦን።

21እቲ ገመድ ድንኳኖም ይብተኽ፡

ብዘይ ጥበብ ይሞቱ።

        መ. እዮብ  ምዕራፍ 5            

     1ምላሽ ዝህበካ እንተ ረኺብካስ፡ እስኪ ጸውዕ፡

ካብ ቅዱሳንከ ናብ መኖም ክትብል ኢኻ፧

2ንደንቈሮ ሰብ ኲራ ይቐትሎ፡

ንዓሻ ኸኣ ቅንኣት የጥፍኦ።

3ኣነ ንደንቈሮስ ሱር ሰዲዱ ርአኽዎ፡

ብኣብኣ ኸኣ ንቤቱ ረገምክዋ።

4ደቁ ኻብ ረዲኤት ርሒቖም እዮም እሞ

ኣብ ደገ ይርገጹ፡ ዘናግፎም ከኣ የልቦን።

5ነቲ እቶቱ ዝጠመየ ይበልዖ፡

ካብ እሾዂ እኳ የውጽኦ፡

ንጥሪቱ መድፈና ሃህ ኢሉ ይጽበዮ።

6መከራ ኻብ ሓመድ ኣይወጽእን እዩ እሞ፡

መግደራ ኻብ መሬት ኣይበቁልን።

7ግናኸ፡ ከምቲ ቑልዒ ንላዕሊ ኣቢሉ ዝነጥር፡

ሰብ ንመከራ እዩ ዝውለድ።

8ኣነ ግን ኣምላኸ ምደሌኹ፡

ነገረይ ከኣ ንኣምላኽ ምወፌኹ፡

9ነቲ ዓበይትን ዘይምርመርን ነገራት፡

ክቑጸር ዘይክእል ተኣምራትውን ዝገብር ዘሎ፡

10ነቲ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ዘዝንም

ንግራሁውን ማያት ዝሰድድ፡

11ንሕሱራት ልዕል ዘብሎም፡

ንሕዙናት ድማ ብምድሓን ዘልዕሎም፡

12ኣእዳዎምሲ ብተንኰል ገለ ኸየስልጣ፡

ንተንኰል ጐራሓት ከንቱ ዝገብሮ ንሱ እዩ።

13ንጠቢባን ብጒርሖም ይሕዞም፡

ንምኽሪ ጠዋያት ከኣ ይዝርዝሮ።

14ብመዓልቲ ንኣታቶ ጸልማት ይጓነፎም፡

ብቐትርስ ከም ብለይቲ ሃሰስ ይብሉ።

15ንሱ ነቲ መስኪን ካብ ሴፍ ኣፎምን

ካብ ኢድ ሓያልን የናግፎ።

16ስለዚ ነቲ መስኪን ተስፋ ኣለዎ፡

ዓመጻ ኸኣ ኣፋ ትዓጹ።

17እንሆ፡ እቲ ኣምላኽ ዝግስጾ ሰብሲ ብጹእ እዩ፡

ስለዚ ንመቕጻዕቲ እቲ ዂሉ ዝኽእል ኣይትንዓቆ።

18ንሱ የቑስልን ይዘንንን፡

ንሱ ይወቅዕ ኣእዳው የሕውያ።

19ካብ ሹድሽተ ጸበባ ኸናግፈካ፡

አረ ኣብ ሾብዓተ ደኣ ኽፋእ ኣይክትንክየካን እዩ።

20ብዘመን ጥሜት ካብ ሞት፡

ብውግእውን ካብ ሓይሊ ሴፍ ክብጀወካ እዩ።

21ካብ ጭጒራፍ ልሳን ክትክወል፡

ድባበ ኽወጽእ ከሎ፡ ኣይክትፈርህን ኢኻ።

22ነቲ ድባበን ጥሜትን ክትስሕቆ፡

ንኣራዊት ምድሪውን ኣይክትፈርሆምን ኢኻ።

23ምስ ኣእማን መሮር ኪዳን ኣቲኻ ኢኻ እሞ፡

እንስሳ መሮርውን ብሰላም ምሳኻ ክዀኑ እዮም።

24ድንኳንካ ብሰላም ከም ዘሎ ኽትፈልጥ ኢኻ፡

ንኸብትኻ እንተ ተቛመትካዮ፡ ዝስአን የልቦን።

25ዘርእኻ ብዙሕ ምዃኑ፡

ተወልዶኻ ኸም ሳዕሪ ምድሪ ምዃኑ ኽትፈልጥ ኢኻ።

26ኲልስስቲ እኽሊ ብግዜኡ ኸም ዝኣቱ፡

ብጽቡቕ ሽምግልና ኽትቅበር ኢኻ።

27እንሆ፡ ንሕና ዝመርመርናዮ ኸምኡ እዩ፡

ንስኻ ድማ ሰሚዕካስ ተጠቐመሉ።

        መ. እዮብ  ምዕራፍ 6            

     1ሽዑ እዮብ ከምዚ ኢሉ መለሰ፡

2ወዮ፡ ትካዘይ እንተ ዝምዘን፡

መከራይውን ምስኡ ኣብ ሚዛን እንተ ዝኣቱ፡

3ካብ ሑጻ ባሕሪ ምኸበደ ነይሩ፡

ስለዚ ምግታእ ዘረባይ እስእን ኣሎኹ።

4ፍላጻታት ናይቲ ዂሉ ዝኽእል ወጊኡኒ ኣሎ እሞ፡

መንፈሰይ መርዙ ይሰቲ ኣሎ፡

ካብ ኣምላኽ ዝመጸኒ ስምባደ ተሰሊፉ ይቃወመኒ ኣሎ።

5ኣድጊ በረኻዶ፡ ሳዕሪ እንተ ረኸበ፡ ይሃልል እዩ፡

ብዕራይከ ሓሰር እንተ ረኸበዶ፡ ይንቁ እዩ፧

6ነቲ መቐረት ዘይብሉ ብልዒኸ

ብዘይ ጨው መን ይበልዖ፧

ማይ እንቋቑሖስ እንታይ ጣዕሚ ኣለዎ፧

7ነፍሰይ ምቕራብ ኣበየቶ፡

እዚ ንኣይ ዕልቅጥ ዝብል ብልዒ ዀነኒ።

8አየ፡ ጸሎተይ እንተ ዝስማዕ፡

ኣምላኽ ድማ ተስፋይ እንተ ዝምልኣለይ።

9ኣምላኽ ክደቑሰኒ፡ ኢዱ ዘርጊሑ

ንህይወተይ ክቘርጻ ፍቓዱ እንተ ዝኸውንሲ፡

10ሽዑ ምተጸናናዕኩ፡

ንቓል እቲ ቅዱስ ኣይከሓድክዎን እሞ፡

በቲ ዘይንሕፈኒ ስቓይ እኳ እልል ምበልኩ ነይረ።

11ክጽመምሲ ኽንደይ እዩ ሓይለይ፧

ዓቕሊ ኽረክብሲ መወዳእታይ አየናይ እዩ፧

12ሓይለይዶ ኸም ሓይሊ እምኒ እዩ፧

ስጋይሲ ኣስራዚዶ እዩ፧

13ረዲኤት ዘይብለይዶ ኣይኰንኩን፧

መውጽኢ ዘይብለይዶ ተዓጽዩኒ ኣይኰነን፧

14እቲ ንብጻዩ ምሕረት ዘይገብረሉ፡

ንፍርሃት እቲ ዂሉ ዝኽእል ይሓድጎ።

15-16ከምቲ ብርባርባ ዝሓለፈ ብበረድ እተዘርገ፡

ውርጪውን ኣብኡ እተሓብአ፡

ውሒዝ ኰይኖም ኣሕዋተይ ጠለሙ።

17ብግዜ ነቕጺ ግና ይነጽፍ፡

ሃሩር እንተ በርትዐ፡ ካብ ስፍራኡ ይጠፍእ።

18ቃፍላይ ካብ መገዶም ኣግሊሶም፡

ናብ በረኻ ወጺኦም ይጠፍኡ።

19ናይ ቴማን ቃፍላይ ናብኡ የማዕድው፡

ናብ ሳባ ሓለፍቲ መገዲ ንእኡ ተስፋ ይገብሩ።

20ብእኦም ተስፋ ገይሮም ነይሮም እዮም እሞ ሓፈሩ፡

ናብኡ ምስ በጽሑ፡ ሕፍረት ሓዞም።

21ሕጂ ንስኻትኩምውን ከምኡ ፍረ ዘይብልኩም ኢኹም፡

ዘፍርህ ርኢኹምሲ ትሽበሩ ኣሎኹም።

22ኣነስ፡ ሃቡኒ፡ ወይስ

ሪትኩም ንበጃ ነፍሰይ ሃቡለይዶ ኢለኩም እየ፧

23ካብ ኢድ ጸላእየይ ኣናግፉኒ፡

ወይስ ካብ ኢድ ጨቋኒ ተበጀውኒዶ ኢለኩም እየ፧

24ምሃሩኒ እሞ፡ ስቕ ክብል እየ፡

እቲ እተጋጌኽዎ ኽስተብህልስ፡ እስኪ ኣፍልጡኒ።

25ቅኑዕ ዘረባስ ክንደይ ሓይሊ ኣለዎ፡

ዘለፋኹም ግና እንታይ ይጠቅም፧

26ንዘረባ ኽትነቕፉዶ ትሓስቡ ኣሎኹም፧

እቲ ተስፋ ዝቐበጸ ግና ንንፋስ እዩ ዝዛረብ።

27ንዘኽታም ዕጭ መውደቕኩምሉ፡

ንፈታዊኹም ምተዋጌኹምዎ ኔርኩም።

28እስኪ ሕጅስ ናባይ ኣቕልቡ፡

ኣብ ቅድሜኹም ኣይሕሱን እየ።

29ተመለሱ ደኣ፡ ዓመጻስ ኣይኹን፡

አረ ተመለሱ፡ ነገረይ ጻድቕ እዩ።

30ኣብ ልሳነይዶ ዓመጻ ይርከብ እዩ፧

ትንሓገይከ ነቲ ኽፋእዶ ኣይለልዮን እዩ፧

        መ. እዮብ  ምዕራፍ 7            

     1ንሰብሲ ኣብ ምድሪ ሰልፊዶ ኣይኰነን፧

መዓልትታቱዶ ኸም መዓልትታት

ብዓል ውዕለት ኣይኰናን፧

2ከምቲ ጽላል ዝናፍቕ ባርያ፡

ከምቲ ውዕለቱ ዝጽበ ብዓል ውዕለት፡

3ኣነ ኸኣ ከምኡ ኣዋርሕ ከንቱነት ተዓዲለ፡

ለይትታት ጻዕሪ ተቘጺረናለይ።

4ምስ ተገምሰስኩ፡ መኣዝ ኰን ክትንስእ እየ እብል።

ለይቲ ነዊሕ እዩ እሞ፡ ክሳዕ ዝወግሕ

ምግልባጠይ እጸግብ ኣሎኹ።

5ስጋይ ብሓሰኻን ብቕላጥ መሬትን ተሸፊኑ፡

ቈርበተይውን እናተዀምተረ ይቕደድ።

6መዓልትታተይ ካብ መደርብዮ ኣላማይ ይቕልጥፋ፡

ብዘይ ተስፋ ይበና ኣለዋ።

7ህይወተይ ሃፋ ምዃና ዘክር፡

ኣዒንተይውን መሊሰን ጽቡቕ ነገር ኣይኪርእያን እየን።

8እታ እትርእየኒ ዘላ ዓይኒ መሊሳ ኣይክትርእየንን እያ፡

ኣዒንትኻ ኽደልያኒ እየን፡ ኣነ ግና የሎኹን።

9ደበና ሓሊፉ ኸም ዝብተን፡

ከምኡውን እቲ ናብ ሲኦል ዝወርድ መሊሱ ኣይወጽእን።

10ናብ ቤቱ ከቶ ኣይምለስን፡

ቦታኡ ደጊም ኣየለልዮን።

11ስለዚ ኣነ ንኣፈይ ኣይክለጒሞን፡

ብጸበባ መንፈሰይ ክዛረብ፡

ብምረት ነፍሰይ ክቑዝም እየ።

12ሓላዊ ዝገበርካለይከ፡

ኣነዶ ባሕሪ ወይስ ዓሳ ኣንባሪ እየ፧

13መንጸፈይ ከጸናንዓኒ፡

ምድቃሰይ ሓዘነይ ከቕልለለይ እዩ፡ እንተ በልኩ፡

14ሽዑ ንስኻ ብሕልሚ ተፈራርሃኒ፡

ብራእይውን ተባህርረኒ፡

15ነፍሰይሲ ኽትሕነቕ፡

ካብ እዘን ኣዕጽምተይ ከኣ ሞት ትሓሪ።

16ኣነስ መንየዮ እየ፡ ብህይወት ክነብር ኣይደልን፡

መዓልትታተይ ምናምን እየን እሞ፡ ሕደገኒ።

17-18ሰብ፡ ከም ቁም ነገር እትርእዮ፡

ተጠንቂቕካ እትምልከቶ፡

ኣብ ጸጽባሕ እትቋመቶ፡

በብቕጽበትውን እትዕዘቦስ፡ እንታይ እዩ፧

19ክሳዕ መኣዝ ኢኻ ምጥማትካ ኻባይ ዘይተግልሶ፧

ምራቐይ ክሳዕ ዝውሕጥከ ዘይትሓድገኒ፧

20ኣንታ ተቛማታይ ደቂ ሰብ፡

በዲለ እንተ ዀንኩስ፡ ንኣኻ እሞ እንታይ ገይረካ፧

ስለምንታይ ኢኻ ንነፍሰይ፡

ከቢድ ጾር ዝዀና ዕላማኻ ዝገበርካኒ፧

21ስለምንታይከ ኢኻ ኣበሳይ ይቕረ ዘይትብለለይ፡

በደለይ ከኣ ዘይትሓድገለይ፧

ኣነስ ሕጂ ኣብ መሬት ክግምሰስ እየ እሞ፡

እንተ ደሌኻኒ ኣይክህሉን እየ።

        መ. እዮብ  ምዕራፍ 8            

     1ድሕርዚ ቢልዳድ ሹዋዊ ኸምዚ ኢሉ መለሰ፡

2ክሳዕ መኣዝ ከምዚ ኢልካ ኽትዛረብ፡

ነቲ ዘረባ ኣፍካስ ከም ብርቱዕ ንፋስ ክትገብሮ ኢኻ፧

3ኣምላኽዶ ፍትሒ ይጠዊ እዩ፧

እቲ ዂሉ ዝኽእልከ ንጽድቂዶ ይጠውዮ እዩ፧

4ደቅኻ በዲሎምዎ እንተ ዀይኖም፡

ንሱውን ናብ ኢድ ኣበሳኦም ኣሕሊፉ እንተ ሂብዎም፡

5ንስኻ ንኣምላኽ ተጠንቂቕካ እንተ ደሊኻዮ፡

ነቲ ዂሉ ዝኽእልውን ምሕረት እንተ ለሚንካዮ፡

6ንጹህን ጻድቕን እንተ ዄንካ፡

ብርግጽ ንሱ ንረዲኤትካ ኽትንስእ፡

ነታ ማሕደር ጽድቅኻውን ከልምዓ እዩ።

7መጀመርታኻ ንእሽቶ እንተ ዀነ፡

መወዳእታኻ ግና እምብዛ ኽበልጽ እዩ።

8ነቶም ቀደም ዝሓለፉ ወለዶ ዀታ ጠይቆም እሞ፡

ነቲ ኣቦታቶም እተረድእዎ ኸኣ ኣሰተብህሎ።

9ንሕና ገለ ዝይንፈልጥ ናይ ትማሊ ኢና እሞ፡

ኣብ ምድርስ መዓልትታትና ኸም ጽላሎት እየን።

10ግናኸ ንሳቶም ኣይክምህሩኻን ኣይክነግሩኻንዶ እዮም፧

ካብ ውሽጢ ልቦም ቃላትዶ ኣይከውጽኡን እዮም፧

11ተኺላ ኣብ ዘይብሉ ቦታዶ ሰልሰላ ይነውሕ፧

ማይ ኣብ ዘይብሉስ ሰቲዶ ይበቁል እዩ፧

12ንሱ ብለምለሙ ኸሎን ከይተመንቈሰን፡

ቅድሚ ዂሉ ሳዕሪ ይነቅጽ።

13መገዲ እቶም ንኣምላኽ ዝርስዕዎ

ዂሎም ከኣ ከምኡ እዩ፡

ተስፋ እቲ ረሲእ ከንቱ ክኸውን እዩ።

14ተስፋኡ ክቑረጽ እዩ እሞ፡

እሙንቶኡ ኸም ዓለባ ሳሬት እዩ።

15ንሱ ኣብ ቤቱ ይጽጋዕ፡ ግናኸ ኣይትጸንዕን፡

ቀጥ ኣቢሉ ይሕዛ፡ ግናኸ ኣይትቐውምን።

16ንሱ ብጸሓይ ይልምልም፡

ጨናፍሩ ናብ ልዕሊ ኣታኽልቱ ይወጽእ።

17ኣብ ዙርያ እኩብ እምኒ ሱሩ ይሰደድ፡

ንቤት ኣእማን ይምልከቶ ኣሎ።

18ካብታ ቦታኡ እንተ መንቈሶ፡

ንሳውን፡ ኣነስ ከቶ ኣይርአኹኻን፡ ኢላ ትኽሕዶ።

19እንሆ፡ ታሕጓስ መገዱ ኸምዚ እዩ።

ካብታ ሓመድ ድማ ካልኦት ክበቑሉ እዮም።

20እንሆ፡ ኣምላኽ ነቲ ፍጹም ሰብ ኣይድርብዮን፡

ነቶም ገበርቲ እከይ ከኣ ብኢዱ ኣይሕዞምን እዩ።

21ንኣፍካ ስሓቕ፡

ንኸናፍርካውን እልልታ ኽመልኦ እዩ።

22እቶም ዝጸልኡኻ ነውሪ ኽጒልበቡ እዮም፡

ድንኳን እቶም ረሲኣን ከኣ ክጠፍእ እዩ።

        መ. እዮብ  ምዕራፍ 9        

     1ድሕርዚ እዮብ ከምዚ ኢሉ መለሰ፡

2አረ ኸምኡ ምዃኑስ ኣርጊጸ እፈልጥ እየ፡

ከመይ ኢሉ ደኣኸ ሰብ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ምጸደቐ፧

3ምስኡ ኽማጐት እንተ ዝደሊ፡

ካብ ሽሕስ ሓንቲ እኳ ኽመልሰሉ ኣይምኸኣለን ነይሩ።

4ንሱ ብምስትውዓል ጠቢብ፡ ብሓይሊውን ብርቱዕ እዩ፡

ተቓዊምዎስ ዝሰለጦ መን እዩ፧

5ንሱ ነኽራን ከይፈለጢ ኸለው የግዕዞም፡

ንቑጥዓኡውን ይገማጥሎም።

6ንሱ ንምድሪ ኻብ ቦታኣ የናውጻ፡

ኣዕኑዳውን የንቀጥቅጡ፡

7ንሱ ንጸሓይ ይእዝዛ እሞ ኣይትበርቕን።

ንኸዋኽብቲውን ይሓትሞም።

8ንሱ ንሰማያት ይዝርግሖ፡

ኣብ ልዕሊ ማዕበላት ባሕሪ ኸኣ ይኸይድ።

9ንድቢ፡ ንኦርዮን፡ ንኰዀብ ሾብዓተ፡

ንናይ ደቡብ ማሕደር ዝፈጠሮም ንሱ እዩ።

10ንሱ ዓበይትን ዘይምርመርን ነገር፡

ቁጽሪ ዘይብሉ ተኣምራትውን ይገብር።

11እንሆ፡ ኣብ ጥቓይ ይሓልፍ እሞ፡ ኣነ ኣይርእዮን፡

መሊሱውን ይሓልፍ እሞ፡ ኣይፍለጠንን እዩ።

12እንሆ፡ ንሱ እንተ መንጠለ፡ መን ይኽልክሎ፧

መንከ፡ እንታይ እዩ እትገብሮ ዘሎኻ፡ ክብሎ ይኽእል፧

13ኣምላኽ ንቑጥዓኡ ኣይገትኦን፡

ኣብ ትሕቲኡስ እቶም ረዳእቲ ረሃብ እኳ ይትሓቱ፡

14ኣነ ደኣ ግዳ ኸመይ ገይረ ኽመልሰሉ፡

ንእኡ ዝዛረቦ ቓልከ ኸመይ ገይረ ኽመርጽ፧

15ጻድቕ እንተ ዝኸውን እኳ፡ ንፈራድየይ ደኣ

ምሕረት ምለመንክዎ እምበር፡ ኣይምመለስኩሉን።

16-17ንሱ ብህቦብላ ወቒዑኒ፡

ብዘይ ምኽንያት ከኣ ንቑስለይ የብዝሖ ኣሎ እሞ፡

ጸዊዐዮስ እንተ ዝመልሰለይ እኳ፡

ንድምጸይ ጽን ከም ዝበሎ፡ ኣይምኣመንኩን።

18ንሱ ኸስተንፍስ ኣይሓድገንን፡

ምረት ደኣ የጽግበኒ ኣሎ።

19ብሓይሊ እንተ ዀይኑ፡ ንሱ፡ እኔኹ፡ ይብል፡

ብፍርዲ እንተ ዀይኑ ኸኣ፡ መን እዩ ቘጸራ ዝህበኒ፧

20ኣነ ጻድቕ እንተ ዝኸውን እኳ፡

ኣፈይ፡ በደለኛ ኢኻ፡ ኢሉ ምፈረደኒ፡

ፍጹም እንተ ዝኸውን ከኣ፡ ሕሱም ምገበረኒ ነይሩ።

21ኣነስ ፍጹም እየ፡

ንነፍሰይ እኳ ግዳ የብለይን፡ ንህይወተይውን እንዕቃ እየ።

22ኲላዂሉ ሓደ እዩ፡ ስለዚ፡

ነቲ ፍጹምን ንረሲእን ብሓደ የጥፍኦም፡ እብል ኣሎኹ።

23ብድንገት ዝቐትል መዓት እንተ ወረደ፡

ንሱ ብፈተና እቶም ንጹሃት የላግጽ።

24ምድሪ ኣብ ኢድ እቶም ረሲኣን ተውሂባ እያ፡

ንገጽ መኳንንታ ይሽፍኖ።

ንሱ እንተ ዘይኰይኑ ደኣ፡ መን እዩ፧

25መዓልትታተይ ካብ ጐያዪ ይቕልጥፋ፡

ጽቡቕ ነገር ከይረኣያ ይሃድማ ኣለዋ።

26አረ ኸም ጃልባ ወምብቆ፡

ክምንጥል ከም ዝሸብብ ንስሪ ይሓልፋ።

27ኣነ፡ ሓዘነይ ረሲዐ፡ ገጸይ ኣበርሄስ፡

ክሕጐስ ደኣ፡ እንተ በልኩ፡

28ብስቓየይ እስክሕ፡

ከም ዘይተማጻርየኒ ፈሊጠ ኣሎኹ።

29ኣነስ ከም በደለኛ ክዅነን እየ፡

ስለምንታይ ደኣ ንኸንቱ ዝጽዕር፧

30ብማይ በረድ እንተ ዝሕጸብ፡

ኣእዳወይውን ኣጸቢቐ እንተ ዘጽሪ፡

31ንስኻ ኣብ ዓዘቕቲ ምኣለኽካኒ

ክዳውንተይ እኳ ምፈንፈናኒ።

32ከይመልሰሉ፡ ሓቢርናውን ከይንበያየንሲ፡

ከማይ ሰብ ኣይኰነን፡

33ኣብ ክልቴና ኢዱ ዝዝርግሕ እሞ፡

ኣብ መንጎና ዳኛ ዝኸውን የልቦን።

34በትሩ ግዳ ኻባይ የግልሰለይ፡

ፍርሃቱውን ኣየናውጻኑ፡

35ሽዑ ምተዛረብኩ ኣይምፈራህክዎን ከኣ፡

ኣነ ግና ከምኡ ኣይኰንኩን።

        መ. እዮብ  ምዕራፍ 10            

     1ነፍሰይ ንህይወተይ መነወታ፡

ንጥርዓነይ ስቕ ኣየብሎን፡

ብምረት ነፍሰይ ደኣ ኽዛረብ እየ።

2ንኣምላኽ፡ ኣይትዀንነኒ፡

ስለምንታይ ኢኻ እትጻረረኒ ዘሎኻ፧

ኣፍልጠኒ፡እብሎ ኣሎኹ፡

3ንተግባር ኢድካ ኽትጭቁኖን ክትንዕቆን

ነቲ ምኽሪ ረሲኣን ከኣ ከተብርሆንዶ ባህ የብለካ እዩ፧

4-7ኣነ ረሲእ ከም ዘይኰንኩን

ካብ ኢድካ ዘናግፍ ከም ዘየልቦን፡ እናፈለጥካ፡

ኣበሳይ እትደሊ፡

ሓጢኣተይ እትምርምር ዘሎኻስ፡

ኣዒንቲ ስጋዶ ኣለዋኻ፧

ወይስ ኣረኣእያ ሰብ ዲኻ እትርኢ፧

መዓልትታትካ ኸም መዓልትታት ሰብዶ እየን ፧

ወይስ ዓመታትካዶ ኸም ዕድመ ወዲ ሰብ እየን፧

8ኣእዳውካ ንዂለንትናይ ደኰና፡ ሰርሓኒውን፡

ግናኸ ተጥፍኣኒ ኣሎኻ።

9ከም መሬት ከም ዝጠፍጠፍካኒ ዘክር፡

ሕጂ ኸኣ ናብ ሓመድ ትመልሰኒ ኣሎኻ።

10ከም ጸባዶ ኣየፍሰስካንን፡

ከም ርግኦስ ኣየርጋእካንን ኢኻ፧

11ቈርበትን ስጋን ኣልበስካኒ፡

ብዓጽምን ጅማትን ቀወድካኒ።

12ህይወትን ጸጋን ሞገስካኒ፡

ምክንኻንካ ንመንፈሰይ ሓለዎ።

13ግናኸ ነዚ ኣብ ልብኻ ሓባእካዮ፡

ሓሳብካስ እዚ ኸም ዝነበረ እፈልጥ ኣሎኹ።

14እንተ ዝብድልሲ ምተቛመትካኒ፡

ካብ ኣበሳይውን ኣይምፈታሕካንን።

15ረሲእ እንተ ዀንኩ፡ ወይለይ፡

ጻድቕ እንተ ዀንኩ ድማ፡

ሓሳር እጸግብ መከራይውን እርኢ ኣሎኹ እሞ፡

ርእሰይ ከልዕል ኣይከኣለንን እዩ።

16ልዕል እንተ ዘብሎ ድማ፡ ከም ኣንበሳ ምሃደንካኒ፡

መሊስካ ኣብ ልዕለይ ነቲ ግሩም ስልጣንካ መርአኻ።

17ሓሓደስቲ ምስክር መቘምካለይ፡

ንቑጥዓኻ ኣብ ልዕለይ ብዕጽፊ መውረድካዮ፡

እተለዋወጠ ዝጻረረኒ ጭፍራ ምሰደድካለይ።

18ንምንታይ ደኣ እሞ ካብ ማሕጸን ኣውጻእካኒ

ኣየ፡ ዓይኒ ኸይረኣየትኒ ሞይተ እንተ ዝኸውን።

19ከቶ ኸም ዘይነበርኩ ምዀንኩ፡

ካብ ማሕጸን ናብ መቓብር መውረዱኒ ነይሮም።

20-22መዓልትታተይ ሒዶት ደይኰናን

ናብታ ሃገር ጸልማትን ድነ ሞትን፡

ናብታ ግብ ዝበለ ጸልማትን ጽላሎት ሞትን ዘለዋን

ስርዓት ዘይብላን ሃገር፡

ኣብኣስ ብርሃን እኳ ኸም ጸልማት ለይቲ ዝዀነ፡

ናብታ ኣነ ኻብኣ ዘይምለስ ሃገር ከይከድኩ፡

ቅሩብ ምእንቲ ባህ ክብለኒ፡ እስኪ ሕደገኒ ልቐቐኒ።

        መ. እዮብ  ምዕራፍ 11            

     1ድሕሪዚ ሶፋር ናዕማዊ ኸምዚ ኢሉ መለሰ፡

2ነዚ ብዝሒ ዘረባዶ ምላሽ ኣይክወሃቦን እዩ፧

ወይስ ለፍላፊ ሰብዶ ኽጸድቕ እዩ፧

3እዚ ምሕባንካዶ ንሰብ ስቕ ከብሎ እዩ፧

ኣላጊጽካስ ዘሕፍረካ ሰብዶ የልቦን፧

4ንስኻውን፡ ትምህርተይ ቅኑዕ እዩ፡

ኣብ ዓይንኻውን ንጹህ እየ፡ ትብል ኣሎኻ።

5ኣየ፡ ኣምላኽያ እንተ ዝዛረብ፡

ከናፍሩ ኸፊቱ እንተ ዝመልሰልካ፡

6ናይ ጥበብ ምስጢራት

ካብቲ ዘሎ ዕጽፊ ምዃኑ እንተ ዝገልጸልካ፡

ንገሊኡ ኣበሳኻ ኸም ዝርስዖ፡ መስተብሃልካ ኔርካ።

7ንመዓሙቑ ኣምላኽዶ ኸተቑሮ፡

ንምልኣት እቲ ዂሉ ዝኽእልሲ ኸተቑሮ ትኽእል ኢኻ፧

8ካብ ሰማይ ልዕል ይብል፡ እንታይ ክትገብር ኢኻ፧

ካብ ሲኦል ይዓሙቑ፡ እንታይ ክትፈልጥ ኢኻ፧

9ስፍሩ ኻብ ምድሪ ይነውሕ፡

ካብ ባሕሪውን ይሰፍሕ እዩ።

10-11ንሱስ ንኸንቱነት ሰብ ይፈልጦ፡

ንዓመጻ ኸኣ ሃሰስ ከይበለ ይረኽቦ እዩ እሞ፡

ንሱ እንተ ሓለፈ፡ እንተ ዓጸወ፡

ኣብ ፍርዲ እንተ ኣከበ፡ መን እዩ ዝኽልክሎ፧

12ግናኸ ዓሻ ሰብ ምስትውዓል የብሉን፡

እወ፡ ሰብ ከም ዒሉ ኣድጊ በረኻ እተወልደ እዩ።

13ልብኻ እንተ ኣዳሎኻ፡

ኣእዳውካውን ናብኡ እንተ ዘርጋሕካ፡

14ኣብ ኢድካ ዓመጻ እንተሎ፡ ኣርሕቆ፡

ኣብ ድንኳንካውን ግፍዒ ኣይተስፍር።

15ሽዑ ንገጽካ ብዘይ ሕፍቲ ኸተልዕሎ፡

ጽኑዕ ክትከውን ኣይክትፈርህን ድማ ኢኻ።

16ሽዑስ ንመከራኻ ኽትርስዖ፡

ከም ዝሓለፈ ውሒዝ ክትዝክሮ ኢኻ።

17ህይወትካ ኻብ ቀትሪ በሊጻ ትበርህ፡

ጸልማት እኳ ኸም ወገግታ ብጊሓት ክኸውን እዩ።

18ተስፋ ኣሎ እሞ፡ ክትሃድእ፡

ናብ ዙያኻ ኣማዕዲኻ ብህድኣት ክትግምሰስ ኢኻ።

19ዘፍርህ ዘይብልካ በጥ ክትብል፡

ብዙሓትውን ሞገስካ ኽደልዩ እዮም።

20ኣዒንቲ ረሲኣን ግና ይስልምታ፡

መህደሚ የብሎምን፡

ተስፋኦም ከኣ ብምሕላፍ እስትንፋሶም እዩ።

        መ. እዮብ  ምዕራፍ 12            

     1ድሕርዚ እዮብ መሊሱ በለ፡

2ብሓቂ እቶም ኣውራታት ሰባት ንስኻትኩም ኢኹም፡

ጥበብውን ምሳኻትኩም ክትመውት እያ።

3ግናኸ ኣነውን ከማኻትኩም ኣእምሮ ኣሎኒ፡

ካባኻትኩም ኣይሰንፍን፡ ነዚ ኸምዚ ዘይፈልጥ መን እዩ፧

4ኣነ ንጐረቤተይ መላገጺ ዝዀንኩ ሰብ እየ፡

ኣነ ናብ ኣምላኽ ተማህሊለስ ምላሽ ዝረኸብኩ፡

ጻድቕን ፍጹምን ሰብሲ መላገጺ ዀይኑ።

5ኣብ ሓሳብ እቲ ደሓን ዘሎ ሰብ ንመከራ ምንዓቕ ኣሎ።

እዚ ነቶም እግሮም ሰንከልከል ዝብል ድልዊ እዩ።

6ድንኳን እቶም በዝበዝቲ ብደሓን ይነብር ኣሎ፡

እቶም ንኣምላኽ ዝተሃላለኽዎ፡

ኣምላኽ ከኣ ኣብ ኢዶም ኣዕዚዙ ዝህቦም ብህድኣት ኣለው።

7ግናኸ ንእንስሳ ጠይቀን እሞ፡ ክምህራኻ፡

ነዕዋፍ ሰማይውን፡ ክገልጻልካ እየን።

8ወይስ ንምድሪ ተዛረባ፡ ክትምህረካ እያ፡

ዓሳታት ባሕሪውን ክነግሩኻ እዮም።

9በዚኣቶም ኲሎምሲ ኢድ እግዚኣብሄር

ከም ዝገበረቶ ዘይፈልጥከ መን እዩ፧

10ህያው ነፍሲ ዘበለን፡

መንፈስ ኲሉ ሰብን ኣብ ኢዱ ደይኰነን፡

11ከምቲ ትንሓግ ንምግቢ ዘስተማቕሮ፡

ከምኡዶ እዝኒ ንቓላት ኣይለልዮን እዩ፧

12ጥበብ ኣብ ሽማግሌታት፡

ምስትውዓልውን ኣብ ምንዋሕ ዕድመ እዩ።

13ጥበብን ስልጣንን ኣብኡ ኣሎ፡

ምኽርን ምስትውዓልን ድማ ናቱ እየን።

14እንሆ፡ ንሱ የፍርስ፡ ከም ብሓድሽ ዝነድቕ ከኣ የልቦን፡

ንሱ ንሰብ ይዓጽዎ፡ ዝኸፍቶ ድማ የልቦን፡

15እንሆ፡ ንሱ ንማይ ይኽልክሎ እሞ ይነጽፍ፡

ከፊቱ ይድርጒሖ እሞ ምድሪ ይድምሰስ።

16ሃይልን ኣእምሮን ናቱ እየን፡

እቲ ዝስሕትን ዘይስሕትን ናቱ እዮም።

17ንሱ ንመኸርቲ ቐንጢጡ ይሰዶም፡

ንፈረድቲውን ዓያሱ ይገብሮም።

18ንሱ ንስልጣን ነገስታት ይፈትሖ፡

ኣብ ሓቛቑኦም ድማ ገመድ የዕጥቖም።

19ንሱ ንኻህናት ቀንጢጡ ይሰዶም፡

ንጽኑዓት ከኣ ይግልብጦም።

20ንዘረባ እቶም እሙናት የፍርሶ፡

ንኣረገውቲ ኣእምሮኦም የሕድጎም።

21ንመሳፍንቲ ንዕቀት የፍስሰሎም፡

ንሓያላትውን ዕጣቖም የላሕልሓሎም።

22ነቲ መዓሙቑ ካብ ጸልማት ይቐልዖ፡

ንድነ ሞትውን ናብ ብርሃን የውጽኦ።

23ንህዝብታት የብዝሖም የብርሶም ከኣ፡

ንህዝብታት የስፍሖም የባርሮምውን።

24ነሕሉቕ ኣህዛብ ምድርስ ኣእምሮ የሕድጎም፡

መገዲ ብዘይብሉ በረኻ የዀብልሎም።

25ንሳቶም ብርሃን ስኢኖም፡

ኣብ ጸልማት ሃሰስ ይብሉ፡

ንሱውን ከም ሰካራት ሰንከልከል የብሎም።

        መ. እዮብ  ምዕራፍ 13            

     1እንሆ፡ ነዚ ዂሉስ ዓይነይ ርእያቶ

እዝነይውን ሰሚዓ ኣስተብሂላቶ።

2ነቲ ንስኻትኩም እትፈልጥዎስ ኣነውን እፈልጦ፡

ካባኻትኩም ከኣ ኣይትሕትን እየ።

3ግናኸ ነቲ ዂሉ ዝኽእል ክዛረቦ እደሊ፡

ምስ ኣምላኽ ክማጻረ ሃረር እብል ኣሎኹ።

4ንስኻትኩም ግና ሓሶት እትኣልሙ ሰባት ኢኹም፡

ኲላትኩም ዘይትጠቕሙ ሓኪማት ኢኹም።

5አረ ስቕ ምባል እንተ ትኽእሉ፡

እዚ ኸኣ ኸም ጥበብ ምተቘጽረልኩም ነይሩ።

6ንተግሳጸይ ስምዑ፡

ናብቲ ምስክር ከናፍረይ ጽን በሉ፡

7ንኣምላኽስ ብቓል ዓመጻ ኽትካላኸሉሉ፡

ስሊኡ ኢልኩምከ ልግሚዶ ኽትዛረቡ ኢኹም፧

8ወራኡ ኽትኰኑ፡

ንኣምላኽ ክትጣበቑሉዶ ትደልዩ ኣሎኹም፧

9ንሱ እንተ መርመረኩምዶ ጽቡቕ እዩ

ወይስ ከምቲ ንሰብ እተዐሽውዎ፡ ከተዐሽውዎዶ ኢኹም፧

10ብስውር እንተ ኣድሎኹምሲ፡

ንሱ ብርግጽ ክዘልፈኩም እዩ።

11ግርማኡዶ ኣይከሸብረኩምን እዩ፧

ፍርሃቱስ ኣይክወድቀኩምን እዩ፧

12ባህልኹም ምሳሌታት ሓመዂስቲ፡

ዕርድታትኩውን ዕርድታት ጭቃ እዩ።

13ስቕ በሉ፡ ክዛረብ ግዳ ሕደጉኒ፡

ዝዀነ ይኹን ይውረደኒ።

14ንምንታይ ንስጋይ በስናነይ እሕዞ፧

ንህይወተይውን ኣብ ኢደይ አንብራ፧

15ሓንትስ ኣኻይዳይ ኣብ ቅድሚኡ አቕንዕ እምበር፡

ንሱ ይቕተለኒ፡ ኣነስ ካልእ ትጽቢት የብለይን።

16ግብዝ ኣብ ቅድሚኡ ደው ኣይክብልን እዩ እሞ፡

እዚኣ ንምድሓን ክትጠቕመኒ እያ።

17ስምዑ፡ እስኪ ንቓላተይ ስምዑ፡

እቲ ኣነ ዝብሎ ንእዝንኹም ይሰቈሮ።

18እንሆ፡ ንነገረይ ኣዳልየዮ ኣሎኹ፡

ጻድቕ ኰይነ ኸም ዝርከብ፡ እፈልጥ ኣሎኹ።

19መን እዩ ዝረትዓኒ፧

ሽዑ ስቕ እብል እመውትውን።

20ብኽልተ ነገር ግዳ ኣይትግፈዓኒ እምበር፡

ኣነ ኸኣ ካብ ቅድሚ ገጽካ ኣይክስወርን እየ፡

21ኢድካ ኻባይ ኣርሕቐለይ፡

ግርማኻውን ኣየሸብረኒ።

22ሽዑ ንስኻ ጸውዓኒ፡ ኣነውን ክመልስ፡

ወይ ከኣ ኣነ ኽዛረብ፡ ንስኻ ምለሰለይ።

23ኣበሳይን ሓጢኣተይንሲ ኽንደይ እዩ ምብዛሑ፧

እስኪ በደለይን ሓጢኣተይን ኣፍልጠኒ።

24ንምንታይከ ገጽካ እትኽውሎ፧

ከም ጸላኢኻ እትርእየኒ፧

25ንዝረገፈ ቘጽሊዶ ኸተፈራርሆ ኢኻ፧

ንንቑጽ ሓሰርሲ ኸተሳጒጎ ኢኻ፧

26መሪር ነገር ትጽሕፈለይ፡

ኣበሳ ንእስነተይ ከኣ ተውርሰኒ ኣሎኻ።

27ንስኻ ነእጋረይ ኣብ ጒንዲ ተእትወን፡

ንብዘሎ መገደይውን ትሕሉ፡

ንኸብዲ እግረይ ከኣ መፈለጥታ ትገብረሉ ኣሎኻ።

28ኣነስ ከም ዝበዂበዀ ኦም፡

ብልዒ ኸም ዘበላሸዎ ዓለባ ዀይነ።

        መ. እዮብ  ምዕራፍ 14            

     1ሰብ፡ ውሉድ ሰበይቲ፡

ሓጺር ዕድመ፡ ጽጉብ ሓሳር እዩ።

2ከም ዕንበባ ይዕንብብ፡ ይጽምሉ ኸኣ፡

ከም ጽላሎት ይሃድም፡ ኣይነብርን ድማ።

3ኣብ ከምዚ ዝበለዶ ኣዒንትኻ ቛሕ ተብል ኣሎኻ፧

ክፍረድስ ናብ ቅድሜኻዶ ትጐተኒ ኣሎኻ፧

4ካብቲ ርኹስሲ ንጹህ ከውጽእ ዝኽእልዶ ኣሎ፧

ሓደ እኳ የልቦን።

5ዕድመ ሰብ ምዱብ፡

ኣዋርሑ ኣባኻ ቑሩጽ ካብ ኰነ፡

ዘይሓልፋ ደረትውን ካብ ወሰንካሉስ፡

6ንሱ ኸም ብዓል ውዕለት፡

መዓልቱ ኽሳዕ ዝፍጽም ክዓርፍሲ፡

ገጽካ ኻብኡ ምለስ።

7ኦምሲ ተስፋ ኣለዎ፡

እንተ ተቘርጸ እኳ መሊሱ ይጥጥዕ፡

ውልዶታቱ ኸኣ ኣይውዳእን እዩ።

8ስሩ ኣብ ምድሪ እንተ ኣረገ፡

ጒንዱ ኣብ መሬት እንተ ሞተ፡

9ብጠሊ ማይ ይጥጥዕ፡

ከም ሓድሽ ተኽሊ ዀይኑ፡ ጨናፍር ይገብር።

10ሰብ ግና ይመውት እሞ ወዲቑ ይተርፍ፡

ሰብ እስትንፋሱ እንድሕሪ ሓሊፋስ፡ ኣበይከ ኣሎ፧

11ካብ ባሕርስ ማያት ከም ዝፈስስ፡

ርባውን ከም ዝነጽፍን ዝደርቕን፡

12ሰብ ከኣ ከምኡ ደቂሱ ኣይትንስእን፡

ሰማያት ክሳዕ ዝሓልፍ ከቶ ኣይነቅሕን፡

ካብ ድቃስ ኣይበራበርን።

13ኣየ፡ ቁጥዓኻ ኽሳዕ ዝሓልፍሲ፡

እንተ ትስውረኒ፡ ኣብ ሲኦል እንተ ትሓብኣኒ፡

መዓልቲ ቘጸራ እንተ ትውስነለይ እሞ፡

ብድሕሪኡ እንተ ትዝክረኒ።

14ሰብ ድሕሪ ሞይቱ መሊሱዶ ህያው ክኸውን እዩ፧

ምብራየይ ክሳዕ ዝመጽእ፡ ዘመን ሰልፈይ ኲሉ ምተጸቤኹ።

15ንስኻ ምጸዋዕካኒ፡ ኣነውን ምመለስኩልካ ነይረ፡

ነቲ ተግባር ኢድካ ምናፈቕካዮ ኔርካ።

16ሕጂ ግና ንስጒምተይ ትቘጽረን፡

ንሓጢኣተይሲ ትቋመቶዶ ኣየሎኻን፧

17ንኣበሳይ ኣብ ከረጺት ይሓትሞ፡

ንበደለይውን ተጣብቖ ኣሎኻ።

18ግናኸ፡ ከምቲ ኸረን ወዲቑ ዝጠፍእ፡

ከውሒውን ካብ ቦታኡ ዝግዕዝ፡

19ከምቲ ማያት ነእማን ዘሕቅቖ፡

ውሒዙውን ንመሬት ምድሪ ዝድምስሶ፡

ከምኡ ኸኣ ንስኻ ንተስፋ ሰብ ከንቱ ትገብሮ።

20ንስኻ ንሓዋሩ ትሕይሎ፡ ንሱውን ይሓልፍ፡

ንገጹ ለዊጥካ ይኺድ ትገድፎ።

21ደቁ እንተ ኸበሩ፡ ኣይፈልጦን፡

እንተ ሓሰሩውን፡ ኣየስተብህሎን እዩ።

22ስጋኡ እቲ ናይ ባዕሉ ስቓይ እዩ ዝስምዖ፡

ነፍሱ ኸኣ ብዛዕባ ርእሱ እያ እትጒሂ።

     1ድሕርዚ ኸኣ ኤሊፋዝ ቴማናዊ ኸምዚ ኢሉ መለሰ፡

2ለባም ሰብዶ ኸንቱ ብዝዀነ ፍልጠት ምላሽ ይህብ እዩ፧

ብንፋስ ምብራቕዶኸ ኸብዱ ይመልእ እዩ፧

3ብፍረ ዘይብሉ፡ ብዘይጠቅም ዘረባዶ፡

ንነገሩ ይከላኸለሉ እዩ፧

4ንስኻ ንፍርሃት እግዚኣብሄር ከንቱ ትገብሮ፡

ንጸሎት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተቃልሎ ኣሎኻ፡

5ኣበሳኻ ንኣፍካ ይምህሮ፡

ንዘረባ ጐረሓት ትሓሪ ኣሎኻ።

6ኣፍካ እያ እትዂንነካ፡ ኣይኣነን፡

ገዛእ ከናፍርካውን እየን ንጒድኣትካ ዝምስክራ።

7እቲ ቐዳማይ ሰብ እተወልደዶ ንስኻ ኢኻ፧

ቅድሚ ዂርባታትከ ተጠኒስካ ዲኻ፧

8ነቲ ስውር ምኽሪ ኣምላኽዶ ትሰምዖ ኔርካ፧

ጥበብከ ንርእስኻዶ ሒዝካያ ኣሎኻ፧

9ንሕና ዘይንፈልጦኸ ንስኻ እንታይ ትፈልጥ፧

ንሕና ዘይተረዳእናዮስ እንታይ ተስተብህል፧

10ብዕድመስ ካብ ኣቦኻ እኳ ዝዓብዩ

ሸያባትን ሽማግሌታትን ኣብ ማእከልና ኣለው።

11ነቲ ምጽንናዕ ኣምላኽን

ነቲ ብለውሃት ንኣኻ እተዘርበ ቓላትንዶ ተናእሶ ኣሎኻ፧

12ልብኻ ናበይ ኣቢሉ ይስሕበካ ኣሎ፧

ንምንታይከ ኣዒንትኻ ኽፋእ ኣጠማምታ ይጥምታ፧

13ከምዚ ዝበለ ዘረባ ኻብ ኣፍካ እናቐዳሕካ፡

ስለምንታይ መንፈስካ ኣብ ልዕሊ ኣምላኽ ተልዕሎ፧

14ሰብከ እንታይ እዩ ንጹህ ዝኸውን፧

ውሉድ ሰበይትስ ጻድቕ ዝኸውን መን እዩ፧

15እንሆ፡ ነቶም ቅዱሳኑ እኳ ኣይኣምኖምን፡

ሰማያትውን ኣብ ዓይኑስ ንጹህ ኣይኰነን።

16እቲ ንኣበሳ ኸም ማይ ዝሰትዮ ሰብ ደኣ ግዳ

ክንደይ ኣዝዩ ፍንፋንን ብልሽውን እዩ።

17-19እስኪ ኽነግረካ፡ ስምዓኒ፡

ካብቶም ምድሪ ንበይኖም እተዋህበቶም፡

ጓናውን ኣብ ማእከሎም ዘይኣተዎም

ጠቢባን ሰባት ዝገለጹልና፡

ካብ ኣቦታቶም ተቐቢሎም ዘይሓብኡልና፡

እዚ ዝርአኽዎስ ከዘንትወልካ እየ።

20ረሲእ ምሉእ ዕድሜኡ፡

ጨካንውን ብዂሉ ቑጽሪ ዘመኑ ይጭነቕ።

21ዘፍርህ ደሃይ ኣብ ኣእዛኑ ዀይኑ የድሂ፡

ደሓን ኣሎኹ ኽብል ከሎ መጥፍኢ ይመጾ።

22ሰይፊ ይጸናተዎ ኣሎ እሞ፡

ካብ ጸልማት ከምልጥ ተስፋ የብሉን።

23ኣበይከ እሞ ይርከብ ኢሉ ሃለው እናበለ እንጌራ ይደሊ፡

መዓልቲ ጸልማት ኣብ ጥቓ ኢዱ ኸም ዘሎ ይፈልጥ።

24ጸበባን ጭንቀትን የሸብርዎ፡

ከም ስሉፍ ንጉስ ኰይኖም ይወድቅዎ።

25ክጻረሮ ኢሉ ኣእዳው ናብ ኣምላኽ ይዝርግሕ፡

ነቲ ዂሉ ዝኽእልውን ይተሃላለኾ፡

26ብተሪር ክሳዱ፡ ብረጒድ ዋልታኡ ይገጥመሉ።

27ገጹ ኣስብሐ፡ ሕቜኡ ኣህጠረ።

28ኣብ ዝባደማ ኸተማታት፡ ኣብ ሰብ ዘይነብረለን፡

ንምዕናው እተመደባ ኣባይቲ ተቐሚጡ እዩ እሞ፡

29ንሱ ኣይጽጉን፡ ሃብቱ ድማ ኣይቐውምን፡

ገንዘቡውን ሱሩ ናብ ምድሪ ኣይሰዶን እዩ።

30ካብ ጸልማት ኣየምልጥን፡

ጨናፍሩ ብሃልሃልታ ይሓርር፡

ብስትንፋስ ኣፉ ይሓልፍ።

31ዓስቡ ኸንቱነት እዩ ዝኸውን እሞ፡

ስሒቱ ብኸንቱነት ኣይተኣመን።

32መዓልቱ ኸይበጽሐ ግዜኡ ይፍጸም፡

ጨናፍሩ መሊሱ ኣይልምልምን።

33ከም ተኽሊ ወይኑ ፍሬኡ ብጒዕ የውድቕ፡

ከም ኦም ዘይቲ ዕንባባኡ ይረግፍ።

34እታ ማሕበር ረሲኣን መኻን እያ እሞ፡

ድንኳናት እቶም መማለጃ ዝቕበሉ ሓዊ ይበልዐን።

35ጻዕሪ ጠኒሶም፡ ጥፍኣት ይወልዱ፡

ከርሶምውን ተንኰል እዩ ዘዳሉ።

        መ. እዮብ  ምዕራፍ 16            

     1ድሕርዚ እዮብ ከምዚ ኢሉ መለሰ፡

2ከምዚ ዝበለ ዘረባስ እምብዛ ሰሚዐ ኣሎኹ፡

ንስኻትኩም ኲልኹም ዘይትጠቕሙ መጸናናዕቲ ኢኹም።

3እዚ ንፋስ ዝዀነ ዘረባኻስ ተወዲኡዶ፧

ወይስ ክትመልስ እንታይ እዩ ዘላዕለካ ዘሎ፧

4ኣነውን ከማኻትኩም ገይረ ኽዛረብ ምኸኣልኩ፡

ንስኻትኩም ከምዚ ኸማይ እንተ ትዀኑስ፡

ርእሰይ እናነቕነቕኩ ቓላት ክሰዂዓልኩም ምኸኣልኩ ነይረ።

5ብኣፈይ መበርታዕኩኹም፡

ምጽንናዕ ከናፍረይውን መህድኣኩም ነይሩ።

6እንተ ተዛረብኩ፡ ቓንዛይ ዝግ ኣይብልን፡

ስቕ እንተ በልኩውን፡ ኣይሓድገንን እዩ።

7ሕጅስ ንሓይለይ ኣላሕሊሕዎ፡

ንብዘላ ማሕበረይ ኣዕኖኻያ።

8ምጭምዳደይ ዝጐድኣኒ ምስክር እዩ፡

ዕብራነይ ተንሲኡ ይኸሰኒ።

9ብቑጥዓኡ ይዘጋግለንን ይሰጐንን፡

ኣስናኑ ይሕርቅመለይ፡

ጸላእየይ ዓይኑ ኣፍጢጡ ይርእየኒ ኣሎ።

10ኣፎም ናባይ ሃህ የብሉ ኣለው፡

እናጸረፉውን ጒንዲ እዝነይ ይጸፍዕኑ፡

ኲሎም ከኣ ይተሓባበሩለይ ኣለው።

11ኣምላኽ ኣደዳ ዓመጽቲ ገበረኒ፡

ኣብ ኣእዳው ረሲኣን ደርበየኒ።

12ኣነ ሃዲኤ ነይረ፡ ንሱ ድማ ቀጥቀጠኒ፡

ብኽሳደይ ሒዙ ሰባበረኒ፡

ዕላማኡ ገይሩ ኣቘመኒ።

13ሰብ መንትጉ ይኸቡኒ፡

ንዀላሊተይ ብዘይ ምሕረት ይበሳስዖ፡

ንሓሞተይውን ናብ ምድሪ ይፍስሶ ኣሎ።

14ከም ጅግና ዀይኑ ወዲቑኑ፡

ኣብ ልዕሊ ቑስሊ፡ ቑስሊ ወሲኹኒ።

15ወጮ ኣብ ቈርበተይ ሰፌኹ፡

ቀርነይውን ኣብ ሓመድ ደቤኹ።

16-17ኣእዳወይ ዓመጻ ዘይሓዛ፡

ጸሎተይውን ንጹህ ክነሱስ፡

ገጸይ ብብኽያት ተገየረ፡

ኣብ ኰበሮ ዓይነውን ድነ ሞት ይሰፍር ኣሎ።

18ኣቲ ምድሪ፡ ንደመይ ኣይትኸውልዮ፡

ንገዓረይውን ስፍራ ኣይትሃብዮ።

19ሕጂውን ምስክረይ ኣብ ሰማይ እንሆ፡

ዋሕሰይውን ኣብ ላዕሊ እዩ ዘሎ።

20-21ፈተውተይ ብኣይ ይስሕቁ ኣለው፡

ንሰብ ምስ ኣምላኽ፡

ንወዲ ሰብውን ምስ ብጻዩ፡ ፍትሒ ምእንቲ ኸውጽእ ኢለ፡

ኣዒንተይ እናነብዓ ናብ ኣምላኽ ይጥምታ ኣለዋ።

22ገና ሒዶት ዓመታት ክሓልፋ እየን እሞ፡

በታ ዘይምለሰላ መገዲ ክኸይድ እየ።

        መ. እዮብ  ምዕራፍ 17            

     1መንፈሰይ ቀሃመ፡

መዓልትታተይ ይጠፍኣ፡

መቓብር ይጽበየኒ ኣሎ።

2መላገጽቲ ኸቢቦምኒ፡

ኣዒንተይ ድማ ብምምራሮም ይሓድራ ኣለዋ።

3ሕጂ ኸኣ ዕርቡን ሃበኒ፡ ኣባኻ ተወሓሰኒ፡

እንተ ዘይኰነስ መን እዩ ኣገና ዝጠቕዓለይ፧

4ከየስተውዕሉስ ንልቦም ዓጺኻዮ ኢኻ እሞ፡

ልዕል ኣይከተብሎምን ኢኻ።

5እቲ ንፈተውቱ ንበዝበዝቲ ኣሕሊፉ ዝህቦም፡

ኣዒንቲ ደቁ ኸሕለልዋ እየን።

6ኣብ ማእከል ኣህዛብ መመሰሊ ገበረኒ፡

ኣብ ቅድሚኦም ጡፍ መበሊ ዀንኩ።

7ኣዒንተይ ብሓዘን ሰልመታ፡

ኲለን ኣካላተይ ከም ጽላሎት ኰና።

8እቶም ቅኑዓት በዚ ኽግረሙ እዮም፡

እቲ ንጹህ ኣብ ልዕሊ እቲ ረሲእ ክህወኽ እዩ።

9እቲ ጻድቕ ግና ኣብ መገዱ ይጸንዕ፡

እቲ ኣእዳው ዝንጹሃት ከኣ እናበርትዐ ይኸይድ።

10አረ ዂላትኩም ተመለሱ፡

ንዑ፡ ግናኸ ሓደ ጢቢብ እኳ ኣይረኽበልኩምን እየ።

11ዘመነይ ሓሊፉ፡

እቲ ልበይ ዝምነዮ ዝነበረ ምምዳበይ ፈሪሱ።

12ንለይቲ ናብ መዓልቲ ይልውጥዎ፡

ጸልማት ከሎስ፡ ብርሃን ቀሪቡ ኣሎ፡ ይብሉ።

13እቲ ዝጽበዮ ቤተይ ሲኦል እንተ ዀነ፡

መንጸፈይ ኣብቲ ጸልማት እንተ ኣንጸፍኩ፡

14ንመቓብር፡ ኣበይ ኢኻ፡

ንሓሳኹውን፡ እኖይን ሓብተይን፡ እንተ በልክዎም፡

15ተስፋይ ደኣ ኣበይ ኣላ፧

አረ ንተስፋይ መን ክርእያ እዩ፧

16ኣብ ሓመድ ሓቢርና ምስ እንዓርፍ፡

ናብ መርሖታት ሲኦል ክትወርድ እያ።

        መ. እዮብ  ምዕራፍ 18            

     1ድሕርዚ ቢልዳድ ሹዋዊ ኸምዚ ኢሉ መለሰ፡

2ክሳዕ መኣዝከ ኢኹም ዘረባ ዘይትውድኡ፧

ኣስተብህሉ፡ ደሓር ንዛረብ።

3ስለምንታይ ከም እንስሳ ተቘጸርና፡

በዒንትኹምስ ከም ርኹሳት ተርአና፧

4ኣታ ብዂራኻ ንነፍስኻ እትብሕጅር፡

ምድሪ ምእንታኻዶ ትባድም፧

ከውሕስ ካብ ስፍራኡዶ የግልስ፧

5እወ፡ ብርሃን እቲ ረሲእ ይጠፍእ፡

ሃልሃልታ ሓው ኣይበርህን።

6ኣብ ድንኳኑ እቲ ብርሃን ክጽልምት፡

እቲ ኣብ ልዕሊኡ ዘሎ ቐንዴልውን ክጠፍእ እዩ።

7ስጒምቲ ሓይሉ ይሓጽር፡

ምኽሪ ርእሱ የውድቖ።

8ኣእጋሩ ናብ መጻወድያ የእትዋኦ፡

ኣብ ልዕሊ ወጽመድ ይመላለስ እዩ እሞ፡

9ብሸዀናኡ ወጽመድ ይሕዞ፡

መፈንጠራውን የጽንዖ።

10ኣብ ምድሪ ገመድ፡

ወጽመድ ኣብ መገዲ ተሓቢኡሉ።

11ፍርሃት ከኣ ብዂሉ ወገን የጨንቖ፡

ናብ ዝኸዶ ዘበለውን ይሰጎ።

12ሓይሉ ብጥሜት ይልሕልሕ፡

መዓትውን ኣብ ጥቓኡ ተዳልዩ ይጸንሕ።

13ንኣባላት ኣካሉ ይበልዖ፡

እወ፡ ናይ ሞት በዂሪ ወዲ ንኣባላቱ ይበልዖ።

14ካብቲ ዝኣምኖ ዝነበረ ድንኳኑ ይምንቈስ፡

ናብቲ ንጉስ ረዓድ ይውሰድ።

15ዘይሰቡ ኣብ ድናኳኑ ይሰፍሩ፡

ኣብ ማሕደሩውን ዲን ይንስነስ።

16ኣብ ታሕቲ ሰረውሩ ይነቅጽ፡

ኣብ ላዕሊውን ጨናፍሩ ይቑረጽ።

17ዝኽሩ ኻብ ምድሪ ይጠፍእ፡

ኣብ ኣደባባይ ስሙ ኣይስመን፡

18ካብ ብርሃን ናብ ጸልማት ይድፋእ፡

ካብ ዓለምውን ይስጐጒ።

19ኣብ ማእከል ህዝቡ ውሉድን ደቂ ደቅን ኣይሓድግን፡

ኣብ ማሕደሩ ትርፊ የልቦን።

20በታ መዓልቱ እቶም ዳሕሮት ይድነቑ፡

እቶም ቀዳሞት ከኣ ጸጒሮም ይኽየፍ።

21እወ፡ ማሕደር ረሲኣን ከምዚ እያ፡

ስፍራ እቲ ንኣምላኽ ዘይፈልጥ እዚ እዩ።

        መ. እዮብ  ምዕራፍ 19            

     1ድሕርዚ እዮብ ከምዚ ኢሉ መለሰ፡

2ክሳዕ መኣዝ ንነፍሰይ ተጒህይዋ፡

ብዘረባውን ትሰባብሩኒ ኣሎኹም፧

3እንሆ፡ ዓሰርተ ሳዕ ጸሪፍኩምኒ፡

እትገፍዑንስ ኣይትሓፍሩን ዲኹም፧

4ብርግጽ ተጋግየ እኳ እንተ ዀንኩ፡

እቲ ጌጋይ ምሳይ ይነብር።

5ብሓቂ እንተ ተዓቢኹምለይ፡

ስለ ውርደተይ እንተ ገሰጽኩምኒ፡

6እምበኣርስ ኣምላኽ ከም ዝዓመጸኒ፡

ብመፈንጠራኡውን ከም ዝኸበበኒ፡ ፍለጡ።

7እንሆ፡ ተዓሚጸ ኢለ እጠርዕ ኣሎኹ፡ ኣይስማዕን ድማ እየ፡

ረዲኤት ደልየ አእዊ ኣሎኹ፡ ፍትሒ ዘውጽኣለይ ከኣ የልቦን።

8ኣነ ኸይሓልፍ ኢሉ ንመገደይ ዓጽይዎ፡

ኣብተን መተሓላለፍየይ ጸልማት ዘርጊሑለን።

9ንሱ ኽብረተይ ቀንጢጡኒ፡

ንዘውደይውን ካብ ርእሰይ ወሲድዎ።

10ብዂሉ ወገነይ ኣውዲቑኒ እዩ እሞ ጠፋእኩ።

ንተስፋይ ከም ኦም መንቈሳ።

11ንቑጥዓኡ ኣብ ልዕለይ ኣቃጸሎ፡

ከም ጸላኢኡውን ቈጸረኒ።

12ጭፍራታቱ ተኣኻኺቦም

ክወድቁኒ መገዲ ይጸርጉ፡

ኣብ ዙርያ ድንኳነይውን ይሰፍሩ ኣለው።

13ነሕዋተይ ካባይ ኣርሒቕዎም፡

እቶም ዝፈልጡኒ ኸም ኣጋይሽ ኰይኖምኒ።

14ኣዝማደይ ካባይ ኣድሓርሒሮም፡

ኣመንተይውን ረሲዖምኒ፡

15ቤተ ሰበይን ኣግራደይን ከም ባዕዲ ይቘጽሩኒ፡

ጓና መሲለ ተርአኽዎም።

16ንግልያይ እጽውዖ፡ ኣቤት ኣይብለንን፡

ትሕት ኢለ ብኣፈይ እልምኖ ኣሎኹ።

17ሰበይተይ ንስትንፋሰይ፡

ውሉድ ከርሰይ ከኣ ንልመናይ ጸሊኦምዎ።

18ናእሽቱ ቘልዑ እኳ ይንዕቁኒ፡

ብድድ እንተ በልኩ፡ ይደፍሩኒ ኣለው።

19ኲሎም መመኽርተይ ፈንፊኖምኒ፡

እቶም ፍቁራተይ ተገምጢሎምኒ።

20ኣዕጽምተይ ምስ ቈርበተይን ስጋይን ተጣቢቑ፡

ግርጻነይ ጥራይ ተሪፉኒ።

21ኣቱም ፈተውተይ፡ ኢድ ኣምላኽ ወቒዓትኒ እያ እሞ፡

ደንግጹለይ፡ ደንግጹለይ።

22ንምምታይከ ኸም ኣምላኽ እትሰጉኒ፧

ንስጋይውን ዘይትጸግብዎ፧

23ኣየ፡ እዚ ዘረባይ እንተ ዝጸሓፍ፡

ኣየ፡ ኣብ መጽሓፍ እንተ ዝእርነብ፡

24ብበሊሕ ሓጺንን ብዓረርን

ኣብ ከውሒ ንሓዋሩ እንተ ዝቕረጽ።

25ግናኸ እቲ ዝብጀወኒ ህያው ምዃኑ እፈልጥ ኣሎኹ፡

ንሱ ኣብ መወዳእታ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ክቐውም እዩ።

26እዚ ቘርበተይ ምስ ጠፍአ ድማ፡

ሽዑ ምስ ስጋይ ንኣምላኽ ክርእዮ እየ።

27ኣነ ባዕለይ ክርእዮ እየ፡ ኣዒንተይ ክርእያኦ፡ ካልእ ኣይኰነን።

ኰላሊተይ ኣብ ውሽጠይ ሓቒቑ።

28ንስኻትኩም፡ ሱር እቲ ነገር ኣባይ ዘሎ መሲሉኩም፡

ንሰጐጎ፡ እንተ በልኩም፡

29ፍርዲ ኸም ዘሎ ምእንቲ ኽትፈልጡ፡

መቕጻዕቲ ሓጢኣትሲ ሰይፊ እዩ እሞ፡

ንሰይፊ ፍርህዎ።

        መ. እዮብ  ምዕራፍ 20            

     1ድሕርዚ ሶፋር ናዕማዊ ኸምዚ ኢሉ መለሰ፡

2ነዚ ምላሽ ክህብ ሓሳባተይ ይድርኸኒ፡

ምናዳ እቲ ኣብ ውሽጠይ ዘሎ ይህውኸኒ።

3ዘነውረኒ መግናሕቲ ሰሚዐ፡

መንፈስ ኣእምሮይ ግና ምላሽ ይህበኒ።

4-5ካብ ጥንቲ፡ ሰብ ኣብ ምድሪ ኻብ ዝነብር፡

እልልታ ረሲኣን ሓጺር፡

ሓጐስ እቲ ሕሱም ቅጽበት ዓይኒ ምዃኑዶ

ኣይትፈልጥን ኢኻ፧

6እቲ ልዕል ምባሉ እኳ ናብ ሰማይ እንተ ደየበ፡

ርእሱ ኸኣ ክሳዕ ደበና እንተ በጽሐ፡

7ከምቲ ውጽኣት ግዳሙ ንሓዋሩ ይጠፍእ፡

እቶም ዝረኣይዎ፡ ኣበይ ኣሎ ክብሉ እዮም።

8ከም ሕልሚ ይበርር እሞ ኣይርከብን፡

ከም ራእይ ለይቲውን ይበንን።

9እታ ዝረኣየቶ ዓይኒ መሊሳ ኣይትርእዮን፡

ቦታኡውን ደጊምሲ ኣይጥምቶም።

10ውሉዱ ሞገስ ድኻታት ይደልዩ፡

ኣእዳው ነቲ ዝረብሖኦ ይመልሳ።

11ዓጽሙ ብንእስነቱ ምሉእ እዩ፡

ምስኡውን ኣብ መሬት ለጥ ይብል።

12ክፍኣት ንኣፋ መቂርዎስ፡

ኣብ ትሕቲ መልሓሱ እንተ ሓብኦ፡

13ካብኡ ኸይመልቆ እናኣርነበ፡

ኣብ ትንሓጉ ኣንተ ዓቘሮ፡

14መብልዑ ኣብ ኣምዑቱ ይልወጥ፡

ኣብ ውሽጡ ሕንዚ ተመን ይዀኖ።

15ንሃብቲ ውሒጥዎ እዩ እሞ ኽተፍኦ፡

ኣምላኽ ካብ ከብዱ ኸውጽኦ እዩ።

16ንሕንዚ ተመን ክመጽዮ፡

መልሓስ ተመን ከኣ ክቐትሎ እዩ።

17ንዓይኒ ማይን፡

መዓርን ጸባን ዝውሕዝ ርባታትን ኣይክርእዮን እዩ።

18ነቲ ፍረ ድኻሙ ኽመልሶ፡ ኣይክውሕጦን ከኣ እዩ፡

እቲ ዝመልሶ ብመጠን ሃብቱ ክኸውን እዩ እሞ፡

ብእኡ ባህ ኣይብሎን።

19ንድኻታት ጠቕዖምን ጠንጠኖምን፡

ንቤት በዝበዞ፡ ኣይክሰርሖን ከኣ እዩ።

20ከብዱ ዕረፍቲ ስለ ዝይፈለጠስ፡

ካብቲ ዝፈትዎ ገለ እኳ ኣይከድሕንን እዩ።

21ስሳዐኡ ገለ እኳ ኣይገደፈን፡

ስለዚ እቲ ጣዕሚ ንብረቱ ኣይክቐውንም እዩ።

22ኣብ ምልኣት ሃብቱ ይጸቦ፡

ኢዱ ጽጉም ዘበለ ትወድቆ።

23ከብዱ ኽመልእ ከሎ፡

ኣምላኽ ጓህሪ ቑጥዓኡ ኽሰደሉ፡

ክበልዕ ከሎ ኸኣ ከዝንመሉ እዩ።

24ካብ ኣጽዋር ሓጺን እንተ ሃደመስ፡

ቀስቲ ኣስራዚ ኽወግኦ እዩ።

25ይስሕቦ እሞ ካብ ስጋኡ ይወጽእ፡

እቲ ብልጭልጭ ዝብል ብልሑውን ካብ ሓሞቱ ይወጽእ፡

ስምባድ ይወድቆ።

26ንመዝገቡ ጸልማት ዘበለ ተዓቑሩሉ፡

ብዘይ መናፍሕ ዝነድድ ሓዊ ኽውሕጦ፡

ነቲ ኣብ ድናኳኑ ዝተረፈውን ክበልዖ እዩ።

27ሰማያት ንኣባሳኡ ክቐልዖ፡

ምድሪ ኸኣ ክትልዓሎ እያ።

28ጥሪት ቤቱ ፋሕ ክብል፡

በታ መዓልቲ ቑጥዓኡ ኽፈስስ እዩ።

29እቲ ረሲእ ከምዚ ዝበለ ዕድል ካብ ኣምላኽ ይቕበል፡

ብኣምላኽ ከምዚ ዝበለ ርስቲ ተመዲብዎ እዩ።

        መ. እዮብ  ምዕራፍ 21            

     1ድሕርዚ እዮብ ከምዚ ኢሉ መለሰ፡

2እስኪ ሓንሳእ ዘረባይ ስምዑኒ፡

ምጽንናዕኩም እዚ ይኹን።

3ክዛረብ እስኪ ተዓገሱኒ፡

ምስ ተዛረብኩ፡ ኣባጭው።

4ቁዝማይዶ ንሰብ እየ ዝነግሮ፧

ወይስ ከመይ ኢሉ ደኣ እዩ ዓቕለይ ዘይጸበኒ፡

5ናባይ ኣቕልቡ እሞ ክትድነቑ፡

ኣፍኩምውን በእዳውኩም ዕበሱ።

6ኣነስ እንተ ዘከርክዎ፡ የስካሕክሓኒ፡

ንስጋይውን ረዓድ ይሕዞ ኣሎ።

7ረሲኣን ብህይወት ዝነብሩ፡ ዝኣርጉ፡

ስልጣኖም ድማ ዝብርትዕስ፡ ስለምንታይ ኰን እዩ፧

8ዘርኦም ምስኦም ኣብ ቅድሚኦም ይነብረ፡

ሓድጎም ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም እዩ።

9ኣባይቶም ፍርሃት ዘይብሉ ህዱእ እዩ፡

ሸቦጥ ኣምላኽ ኣይቐርቦምን።

10ኣርሓኦም ሰሪሩ ብዘይ ፍረ ኣይተርፍን፡

ላሞምውን ከየቘልዐት ትወልድ፡

11ንደቆም ከም መጓሰ የውፍርዎም፡

ቈልዑኦም ይሰራሰሩ።

12ብኸበሮን ብበገናን ይደርፉ፡

ብቓና ዕንዱር ይሕጐሱ።

13ንዘመኖም ብጣዕሚ ንብረት የሕልፍዎ፡

ብቕጽበት ዓይኒ ኸኣ ናብ ሲኦል ይወርዱ።

14-15ግናኸ ንኣምላኽ፡ መገድኻ ኽንፈልጥ

ኣይንደልን ኢና እሞ፡ ካባና ኣግልስ፡

እቲ ዂሉ ዝኽእል እነገልግሎኸ መን እይ፧

ናብኡ እንተ ተማህለልናስ፡ እንታይ ክጠቕመና እዩ ይብሉ።

16እንሆ፡ ጣዕሚ ንብረቶም ኣብ ኢዶም ኣይኰነን፡

ምኽሪ ረሲኣንሲ ኻባይ ደኣ ይርሓቕ።

17ክንደይ ሳዕ መብራህቲ ረሲኣን ዘይጠፍእ፡

መዓት ዘይወርዶም፡

ኣምላኽ ብቑጥዓኡ መከራ ዘይዕድሎም፧

18ክንደይ ሳዕከ እዮም ንፋስ ከም ዝወስዶ ሓሰር፡

ህቦብላ ኸም ዝብትኖ ብቑቡቑ ዘይኰኑ፧

 19ኣምላኽሲ በደል እቲ ረሲእ ንደቁ ይዓቑሮ፡

ምእንቲ ኽፈልጦስ፡ ንእኡ ይፍደዮ።

20ንጥፍኣቱ ብዓይኑ ይርእዮ፡

ካብ ቁጥዓ እቲ ዂሉ ዝኽእል ይስተ።

21ቁጽሪ ኣዋርሑ ምስ ተበትካ፡

ድሕሪኡ ብዛዕባ ቤቱ እንታይ ባህ ይብሎ፧

22ነቶም ልዑላት ዝፈርድ ኣምላኽሲ

ፍልጠት ዝምህሮ መን እዩ፧

23እቲ ሓደ፡ ምሉእ ሓይሉ ኸለዎ፡

ህዱእን ሕጉስን ከሎ ይመውት፡

24ተፈይቶታቱ ጸባ መሊኡ ኸሎ፡

ኣንጒዕ ኣዕጽምቱውን ልምሉም ከሎ ይመውት።

25እቲ ሓደ ኸኣ ገለ ራህዋ እኳ ኸይጠዓመ፡

ነፍሱ እናተመረረት እዩ ዝመውት፡

26ብሓደ ዀይኖም ኣብ መሬት ይድቅሱ፡

ሓሰኻውን ይኸድኖም።

27እንሆ፡ ንሓሳባትኩም፡ ነቲ ኣባይ ዝመኸርኩምዎ

ኽፋእ ምኽሪ ፈሊጠዮ ኣሎኹ።

28ንስኻትኩምሲ፡ ቤት መስፍን ኣበይ ኣሎ፧

እቲ ረሲኣን ዝነብርዎ ድንኳንከ ኣበይ ኣሎ፧ ትብሉ ኣሎኹም።

29-30እቲ ኽፋእ ንመዓልቲ መዓት ከም ዝዕቈር፡

ናብ መዓልቲ ቑጥዓውን ከም ዝምራሕ፡

ነቶም ሓለፍቲ መገዲዶ ኣይጠየቕኩምዎምን፧

ንምልክቶምከ ኣየስተብሃልኩምዎን ዲኹም፧

31ንመገዱ ኣብ ቅድሚኡ ዝዘርፎ መን ኣሎ፧

ነታ ዝገበራ ዝፈድዮ መን ኣሎ፧

32ናብ መቓብር ይወስድዎ እሞ፡

ኣብ ኲርባ መቓብር ይሕሉ፡

33መሬት እቲ ለሰ ጥዒምዎ ኣሎ፡

ቅድሚኡ ታኣላው ዘይብሎም ከም ዝነበሩ፡

ድሕሪኡ ኸኣ ኲሉ ሰብ ክስዕብ እዩ።

34ካብቲ ምላሽኩም ምጥላም ጥራይ እዩ ተሪፉ ዘሎ እሞ፡

ከመይ ጌርኩም ኢኹም ብኸንቱ ተጸናንዑኒ ዘሎኹም፧

        መ. እዮብ  ምዕራፍ 22            

     1ድሕርዚ ኤሊፋዝ ቴማናዊ ኸምዚ ኢሉ መለሰ፡

2ሰብዶ ንኣምላኽ ክጠቕሞ ይኽእል እዩ፧

ኣይፋል፡ እቲ ጠቢብ ንርእሱ እዩ ዝጠቅም።

3እቲ ዂሉ ዝኽእልስ ጻድቕ ብምዃንካዶ ባህ ይብሎ እዩ፧

ንመገድኻ ፍጹም ብምግባርካስ ካብኡዶ ረብሓ ኣለዎ፧

4ዝዘልፈካ ወይስ ናብ ፍርዲ ምሳኻ ዝእቱ፡

ስለ ዝፈርሃካ ድዩ፧

5ክፍኣትካዶ ዓብዪ ኣይኰነን፧

ኣበሳኻውን መወዳእታ ዘይብሉዶ ኣይኰነን፧

6ካብ ሓውካ ብኸምኡ ታሕዚ ኣልዒልካ፡

ክዳን እቶም ዕሩቓት ገፊፍካ፡

7ንጽሙእ ማይ ኣየስቴኻዮን፡

ንጥሙይውን እንጌራ ኸላእካዮ እሞ፡

8ምድሪ ናይ ብዓል ቅልጽም ኰይና፡

እቲ ኽቡር ከኣ ኣብኣ ማሕደሩ ገበረ።

9ንመበለታት ጥራይ ኢደን ሰዲድካየን፡

ቀላጽም ዘኽታማት ተሰቢሩ።

10ስለዚ ንስኻ ብመፈንጠራታት ተኸቢብካ፡

ብናይ ድንገት ፍርሃትውን ተሸቢርካ እኔኻ፡

11ወይስ ነቲ ኸቢቡካ ዘሎ ጸልማትን

ወሓዚ ማይንዶ ኣይትርእዮን ኢኻ ዘሎኻ፧

12ኣምላኽሲ ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይዶ ኣይኰነን፧

ርእሲ ኸዋኽብቲ ኽንደይ በሪኽ ከም ዝዀነ ጠምት።

13ንስኻውን፡ ኣምላኽከ እንታይ ይፈልጥ፧

ብኽንየው ድቕድቕ ጸልማት ኰይኑዶ

ኽፈርድ ይኽእል እዩ፧

14ከይርኢ ደበና ጋሪድዎ፡

ምምልላሱውን ኣብ ዙርያ ሰማይ እዩ፡ ትብል ኣሎኻ።

15በታ እቶም እኩያት ሰባት ዝረገጽዋ

ናይ ቀደም መገዲዶ ኽትከይድ ደሊኻ ኢኻ፧

16እቶም ግዜኣቶም ከይበጽሐ እተቐዝፉ፡

መሰረቶም ከም ውሒዝ ዝወሓዘ ሰባት፡

17ንሳቶም ንኣምላኽ፡ ካባና ኣግልስ፡

እቲ ዂሉ ዝኽእል እንታይ ኰን ክገብረና እዩ በልዎ።

 — 18ግናኸ ነባይቶም ብጽቡቕ ነገር መልአን፡ —

ምኽሪ እቶም ረሲኣን ካባይ ደኣ ይርሓቕ፡

19-20ጻድቃን፡ ተጻረርትና ብርግጽ ሕጂ ተመንቁሶም፡

ነቶም ዝተረፉውን ሓዊ በሊዕዎም እዩ፡ ኢሎም

ነዚ ርእዮም ክሕጐሱ እዮም፡

እቲ ንጹህውን ከባጭዎም እዩ።

21እምበኣር ምስኡ ተፋቐር ብሰላምውን ንበር፡

በዚ ጽቡቕ ክትረክብ ኢኻ።

22ካብ ኣፋ ደኣ ሕጊ ተቐበል፡

ንቓሉውን ኣብ ልብኻ ዕቘሮ።

23ናብቲ ዂሉ ዝኽእል እንተ ተመለስካ፡

ንዓመጻ ኻብ ድንኳንካ እንተ ኣርሓቕካዮ፡

ከም ብሓድሽ ክትስራሕ ኢኻ።

24ንመዝገብካ ናብ መሬት፡

ንወርቂ ኦፊርውን ናብ ኣእማን ርባ ኣእማን ርባ ደርብዮ፡

25ሽዑ እቲ ዂሉ ዝኽእል ወርቅኻን

ዘንጸባርቕ ብሩርን ክዀነልካ እዩ።

26ሽዑ ንስኻ በቲ ዂሉ ዝኽእል ባህ ክብለካ፡

ገጽካውን ናብ ኣምላኽ ከተልዕል ኢኻ።

27ክትልምኖ፡ ንሱውን ክሰምዓካ እዩ፡

ምብጽዓኻውን ክትፍጽም ኢኻ።

28ዝሓሰብካዮ ዘበለ ኽሰልጠልካ፡

ብርሃንውን ኣብ መንገድኻ ኽበርሃልካ እዩ።

29እንተ ኣዋረዱኻ፡ ናብ ላዕሊ፡ ክትብል ኢኻ።

ነቲ ትሑት ሰብ ከናግፎ እዩ።

30ንሱ ንዘይንጹህ ድማ ከናግፎ እዩ፡

ብንጽህና ኣእዳውካ እዩ ዝናገፍ።

        መ. እዮብ  ምዕራፍ 23            

     1ድሕርዚ እዮብ ከምዚ ኢሉ መለሰ፡

2ሎሚውን ቁዝማይ ይተሃላለኽ ኣሎ፡

ኢዱ ኣብ ልዕሊ እህህታይ ትኸብድ ኣላ።

3ኣበይ ከም ዝረኽቦ እንተ ዝፈልጥ እሞ፡

ናብ ዝፋኑ ንምብጻሕ እንተ ዝኽእልሲ መን ምሃበኒ።

4ኣብ ቅድሚኡ ነገረይ መፍሰስኩ፡

ንኣፈይ ብመርትዒ ምመላእኩ።

5ነቲ ዝመልሰለይ ቃላት ምፈለጥክዎ፡

እንታይ ከም ዝብለኒ ኸኣ መስተውዓልኩ ነይረ።

6በቲ ዓብዪ ሓይሉዶ ኽበኣሰኒ እዩ፧

ኣይፋል፡ ጽን ደኣ ምበለኒ እምበር።

7ሽዑ እቲ ቕኑዕ ምስኡ ምመጐተ፡

ኣነውን ካብ ፈራድየይ ንሓዋሩ ምተናገፍኩ።

8እንሆ፡ ንቕድሚት ኣቢለ እንተ ኸድኩ፡

ኣብኡ የሎን፡ ንድሕሪት እንተ ኸድኩውን፡ ኣይረኽቦን።

9ኣብ ጸጋም እንተ ሰርሐ፡ ኣይርእዮን፡

ኣብ የማን እንተ ተሓብአ ኸኣ፡ ኣይጥምቶን።

10ንሱ ግና በየነይቲ መገዲ ኸም ዝኸይድ ይፈልጥ እዩ፡

ይፈትነኒ፡ ከም ወርቂ ዀይነ ኸኣ ክወጽእ እየ።

11ኣእጋረይ ኣሰሩ ሒዘን፡

ተጠንቂቐውን ካብ መገዱ ኣየግለስኩን።

12ካብ ትእዛዝ ከናፍሩ ኣይዘንበልኩን፡

ካብ መዝገበይ ኣብሊጸ ንቓል ኣፉ ሓሎኽዎ።

13ግናኸ ናቱ ሓሳብ ሓደ እዩ፡ መንከ ይኽልክሎ፧

ነፍሱ እትደልዮ እዩ ዝገብር።

14ነቲ እተመደበለይ ክፍጽሞ እዩ፡

ብዙሕ ከምዚ ዘመሰለ ምስኡ ኣሎ።

15ስለዚ ኣብ ቅድሚ ገጹ እሽበር፡

እናሓሰብኩ ድማ ብእኡ እስምብድ ኣሎኹ።

16ኣምላኽ ንልበይ ኣጃጅይዎ፡

እቲ ዂሉ ዝኽእል የሸብረኒ ኣሎ እምበር፡

17ኣብ ቅድሚ ጸልማትሲ ኣይጠፋእኩን፡

ንጣቓውን ኣብ ቅድሚ ገጸይ ኣይጋረዶን።

        መ. እዮብ  ምዕራፍ 24            

     1ስለምንታይ እቲ ዂሉ ዝኽእል ነቲ ግዜታት ዘይስውሮ፡

ስለምንታይ ደኣ እቶም ዝፈልጥዎ

ንመዓልትታቱ ዘይርእይወን፧

2ንዶብ የዝብልዎ፡

ንኸብቲ ዘሚቶም የውፍርወን።

3ንዘኽታማት ኣድጎም የሕድግዎም፡

ንብዕራይ መበለትውን ታሕዚ ይሕዝዎ፡

4ንድኻታት ካብ መገዲ ይደፍእዎም፡

እቶም ጥቑዓት ምድሪ ሓቢሮም ይሕብኡ።

5እንሆ፡ ከም ኣድጊ በረኻ ምግቢ እናደለዩ

ናብ ውዕለቶም ይወጹ፡

በረኻውን ንደቆም ዝኸውን ምግቢ ይህቦም።

6ኣብ ግራት ቋርፎም ይእክቡ፡

ኣብ ወይኒ እቲ ረሲእ ይቕርሙ፡

7ብዘይ ክዳን ጥራዮም ይሓድሩ፡

ኣብቲ ቑሪ ዝኽደንዎ የብሎምን።

8ብርቱዕ ማይ ኣኽራን የጠልቅዮም፡

መጸግዒ ስኢኖም ድማ ከውሒ ይሓቑፉ።

9ንዘኽታም ካብ ጡብ እኖኡ ይምንጥልዎ፡

ካብ መሳኺን ታሕዚ ይወስዱ።

10ብዘይ ክዳን ጥራዮም ይኸዱ፡

ብጥሙያቶም እንዳእቲ ይጾሩ።

11ኣብ ውሽጢ መካበብያኦም ዘይቲ ይጸምቁ፡

ኣብ መጽመቑ ይጸምቁ እሞ ይጸምኡ።

12እህህታ እቶም ውጹዓት ካብቲ ኸተማ ይወጽእ፡

ነፍሳት እቶም ቁሱላት ይጭርሓ ኣለዋ፡

ኣምላኽ ግና ነዚ ዓመጻ ግዱ ኣይገብርን እዩ።

13እቲኣቶም ካብቶም ንብርሃን ዝጸልኡ እዮም፡

ንጐደናታቱ ኣይፈልጥወንን፡

ኣብ መገድታቱ ኣይጸንዑን።

14እቲ ቐታል ነፍሲ ወጋሕታ ተንሲኡ፡

ነቲ ድኻን ጥቑዕን ይቐትሎ፡

ብለይቲ ኸኣ ከም ሰራቒ እዩ።

15ዓይኑ ዘማዊ ንጽልግልግታ ትጽበ፡

ገለ ዓይኒ ኸይትርእየኒ፡ እናበለ ገጹ ይጒልበብ።

16-17ንዂላቶም ረፍዲ ኸም ድነ ሞት ይዀኖም፡

ምስ ፍርሃት ድነ ሞት ከኣ ስምምዕ ኣለዎም እሞ፡

ብጸልማት ናብ ቤት ኲዒቶም ይኣትው፡

መዓልቲ ግና ተዓጽዮም ይውዕሉ፡

ንብርሃን ኣይፈልጥዎን እዮም።

18ቀልጢፉ ብልዕሊ ማይ ይሰፍፍ፡

ዕድሎም ኣብ ምድሪ ርጉም እዩ፡

ናብቲ መገዲ ኣታኽልቲ ወይኒ ኣይምለስን።

19ደርቅን ሃሩርን ንማይ በረድ ይውሕጦ፡

ከምኡውን ሲኦል ነቶም ዝሓጥኡ ይውሕጦም፡

20ማሕጸን ይርስዖ፡ ሓሳኹ ብእኡ ይጸግቡ፡

ዝዝክሮውን የልቦን፡ እከይ ከም ኦም ይስበር።

21ነታ ዘይወለደት መኻን ይብድላ፡

ንመበለት ጽቡቕ ኣይገብረላን።

22ንስልጡናት ብሓይሉ ይስሕቦም፡

ይትንስእ እሞ ኲሎም ሰብ ንህይወቶም ይቐብጽዋ።

23ንሱ ህድኣት ሂቡ የዕርፎም፡

ኣዒንቱውን ንመገዶም ይቛመታ።

24ልዕል ይብሉ፡ ድሕሪ ቕሩብ ግዜ ግና ኣይርከቡን፡

ይወድቁ፡ ከምቶም ካልኦት ኲላቶም ይእከቡ፡

ከም ርእሲ ሰዊት ከኣ ይቑረጹ።

25ከምኡ እንተ ዘይኰይኑስ፡ መን ሓሳዊ ኽገብረኒ እዩ፧

ነቲ ዘረባይከ መን ከንቱ ኽገብሮ ይኽእል፧

        መ. እዮብ  ምዕራፍ 25            

     1ድሕርዚ ቢልዳድ ሹዋዊ ኸምዚ ኢሉ መለሰ፡

2ምልክን ረዓድን ናቱ እዩ፡

ኣብ ኣርያሙ ሰላም ይገብር።

3ንሰራዊቱ ክቘጽሮም ዝኽእል መን እዩ፧

ብርሃኑ ዘይበረቖኸ መን ኣሎ፧

4ሰብ ደኣ ኸመይ ገይሩ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክጸድቕ፧

ወይ ውሉድ ሰበይቲ ኸመይ ኢሉ ንጹህ ክኸውን ይኽእል፧

5-6ኣሽንኳይ ሰብ እዚ ሓሰኻ፡

ወዲ ሰብ እዚ እብእብሲ፡

እንሆ፡ ወርሒ እኳ ደሚቓ ኣይትበርህን፡

ከዋኽብቲውን ኣብ ቅድሚኡስ ጽሩያት ኣይኰኑን።

        መ. እዮብ  ምዕራፍ 26            

     1ድሕርዚ እዮብ ከምዚ ኢሉ መለሰ፡

2ነቲ ሓይሊ ዘይብሉ ኸመይ ዝበለ ሓገዝ ሓገዝካዮ፡

ነቲ ጽንዓት ዝሰኣነ ቕልጽምውን ኣድሓንካዮ።

3ነቲ ጥበብ ዝሰኣነ ኸመይ ዝበለ ምኽሪ ሃብካዮ።

ክንደይ ፍልጠትከ ዘይገለጽካሉ።

4ንመን ኢኻ ዘረባ እተዛረብካዮ፧

እቲ ኻባኻ ዝወጽእ መንፈስከ ናይ መን እዩ፧

5ምውታትሲ ኣብ ትሕቲ ማያትን

ኣብ ትሕቲ እቶም ኣብኡ ዝነብሩን የንቀጥቅጡ ኣለው፡

6ሲኦል ኣብ ቅድሚኡ ዕሩቕ፡

መዓሙቑውን ቅሉዕ እዩ።

7ንሰሜን ኣብ ባዶ ይዝርግሖ፡

ንምድሪ ኣብ ገለ ዘይብሉ የንጠልጥላ።

8ንማያት ኣብ ደበናኡ ይቘጽሮ፡

እቲ ደበናውን ብትሕቲኡ ኣይቕደድን።

9ደበናታቱ እናዘርግሓሉ፡

ንገጹ ዝፋኑ ይስውሮ።

10ብርሃንን ጸልማትን ክሳዕ ዝፋላለ፡

ንማይ ብኽቢ ወሰኖ።

11ኣዕኑድ ሰማይ የንቀጥቅጡ፡

ብተግሳጹውን ይሽበሩ።

12ብሓይሉ ንባሕሪ የናውጻ፡

ብጥበቡ ኸኣ ንትዕቢት ይወቕዖ።

13ብመንፈሱ ሰማያት ይጸሪ፡

ኢዱ ነቲ በራሪ ገበል ወግኣቶ።

14ካብቲ መገዱስ እንሆ፡ እዚ ሓደ ጫፍ ጥራይ እዩ፡

እቲ ብዛዕባኡ እንሰምዖ ሕሽዂሽዂስ ክንደይ ቅሩብ እዩ፡

ነቲ ነጒዲ ስልጣኑኸ መን እዩ ኸስተውዕሎ ዝኽእል፧

        መ. እዮብ  ምዕራፍ 27            

     1እዮብ መሊሱ ብምስላኡ ኸምዚ ኢሉ ተዛረበ፡

2እቲ ንነፍሰይ ዘመርራ ዂሉ ዝኽእል፡

ንመሰለይውን ዘግደፈኒ ኣምላኸይ ህያው እዩ፡

3እስትንፋሰይ ኣብ ውሽጠይ፡

መንፈስ ኣምላኽውን ኣብ ኣፍንጫይ ክሳዕ ዘሎ፡

4ከናፍረይ ከቶ ሕሰም ኣይክዛረባን፡

ልሳነይውን ሓሶት ኣይከተውስእን እያ።

5ንኣኻትኩም ቅኑዓት ኢኹም ምባለይስ ካባይ ይርሓቕ፡

ክሳዕ ሞተይ ካብቲ ብዘይ ጒድለት ምዃነይ ኣየግልስን።

6ንጽድቀይ ኣጽኒዐ እሕዞ፡ ከቶ ኣይሰዶን፡

ካብተን መዓልትታተይ ልበይ ስለ ሓንቲ እኳ ኣይነቕፈንን።

7ጸላእየይ ከም ረሲእ፡

ዝቃወመኒ ኸም እኩይ ይኹን።

8እቲ ረሲእ፡ ንነፍሱ ኣምላኽ እንተ ቘረጻን እንተ መንጠላንሲ፡

እንታይ ተስፋ ኣለዎ፧

9መከራ እንተ ወረዶስ፡

ኣምላኽ ዶዀን ምህልላኡ ይሰምዖ ይኸውን፧

10ወይስ ነቲ ዂሉ ዝኽእል ሃረርዶ ይብሎ እዩ፧

ኲሉ ግዜዶ ናብ ኣምላኽ ይምህለል እዩ፧

11ኣነ ብዛዕባ ኢድ ኣምላኽ ክምህረኩም፡

ንሓሳባት እቲ ዂሉ ዝኽእል ኣይክሓብኣልኩምን እየ።

12እንሆ፡ ኲሉኹም ባዕልኻትኩም ርኢኹምዎ፡

ስለምንታይ ደኣ ኸንቱ ትዛረቡ ኣሎኹም፧

13ኣምላኽ ነቲ ረሲእ ዝህቦ ዕድል፡

እቲ ጨካን ካብቲ ዂሉ ዝኽእል ዝቕበሎ ርስቲ እዚ እዩ፡

14ደቁ እንተ በዝሑ፡ ኣደዳ ሰይፊ እዮም፡

ውሉዱውን እንጌራ ኣይጸግቡን፡

15እቶም ተርፋ ብሞት ይቕበሩ፡

መበለታቱውን ኣየልቅሳን።

16ንብሩርስ ከም ሓመድ እንተ ኣከቦ፡

ንኽዳውንቲውን ከም ጭቃ እንተ ደለቦ፡

17ንሱ ይድልብ፡ ግናኸ እቲ ጻድቕ እዩ ዝኽደኖ፡

ነቲ ብሩርውን እቲ ንጹህ ይማቐሎ።

18ከም ቁንቁነ ቤቱ ይሰርሕ፡

ከምቲ ሓላዊ ዝሰርሓ ጐጆ እያ።

19ብሃብታሙ ይድቅስ፡ ምስኡ ገለ እኳ ኣይማላእን፡

ኣዒንቱ ቛሕ የብል እሞ የሎን፡

20ፍርሃት ከም ማያት ኰይኑ የርክቦ፡

ህቦብላ ብለይቲ ይምንጥሎ።

21ንፋስ ምብራቕ ኣልዒሉ ይወስዶ፡

ካብቲ ቦታኡ ይነቕሎ።

22ኣምላኽ ብዘይ ምሕረት ይውርውረሉ፡

ካብ ኢዱ ቐልጢፉ ኽሃድም ይደሊ።

23ሰባት ኣእዳዎም የጣቕዑሉ፡

ካብ ቦታኡ እናፋጸዩ የውጽእዎ።

        መ. እዮብ  ምዕራፍ 28            

     1ንብሩርስ መብቈሊ፡

ነቲ ወርቂውን ዝፈሰሉ ቦታ ኣለዎ።

2ሓጺን ካብ ምድሪ፡

ኣስራዚ ኸኣ ካብ እምኒ እዩ መኺኹ ዝወጽእ።

3ሰብ ንጸልማት ወሰን ይገብረሉ፡

ናይ ጸልማትን ናይ ድነ ሞትን ኣእማን ከኣ

ክሳዕ መወዳእታ ይምርምሮ።

4ካብቲ ሰብ ዝነብረሉ ርሒቑ፡

ንታሕቲ ኣዕሚቑ ይዂዕት፡

ካብ እግሪ ተረሲዖም፡ ካብ ሰብ ርሒቖም፡

ተንጠልጢሎም ይዝምብዩ።

5ካብ ምድሪ እዩ እንጌራ ዝወጽእ፡

መዓሙቓ ግና ከም ብሓዊ ይግምጠል።

6እቲ ኣእማና ናይ ሰፊሮስ ስፍራ እዩ።

ድኹም ወርቂ ኸኣ ኣብኡ ይርከብ።

7ነታ መገዲ እቲኣ ነፋሪ ዘበለ ኣይፈልጣን፡

ዓይኒ ንስሪውን ኣይረኣየታን።

8እቶም ዕቡያት ኣራዊት ኣይረገጽዋን፡

ኣንበሳውን ኣይሓለፋን።

9ሰብ ንኢዱ ናብ እምኒ ብላድ ይዝርግሓ፡

ነኽራን ካብ ሱሩ ይግምጥሎ።

10ኣብ ውሽጢ ኣኻውሕ ነዃላት ይነድል፡

ዓይኑውን ኣብኡ ኽቡር ዘበለ ትርኢ።

11ንመገዲ ማያት ከይነጥብ ይዓብሶ፡

ንስውር ነገር ናብ ብርሃን የውጽኦ።

12ግናኸ ጥበብስ ኣበይ እያ እትርከብ፧

ምስትውዓልከ ኣበይ እዩ ቦታኣ፧

13ዋጋኣ ዝፈልጥ ሰብ የልቦን፡

አረ ኣብ ምድሪ ህያዋን እኳ ኣይትርከብን።

14መዓሙቑ፡ ንሳ ኣባይ የላን፡ ይብል፡

ባሕሪውን፡ ምሳይስ የላን፡ ይብል።

15ብጽሩይ ወርቂ እኳ ኣይትዕደግን፡

ብሩር ንዋጋኣ ኣይምዘንን እዩ።

16ብወርቂ ኦፊርን

ብኽቡር ዕንቁን ሰፊሮስን ኣይትምዘንን፡

17ወርቅን መረጸንን ኣይመስልዋን፡

ነቓሑ ወርቂውን ኣይትልወጥን።

18ብዛዕባ ኣዕናቑን ክርስታልን እኳ ኣይዘረብ፡

ምጥራይ ጥበብስ ካብ ሉል ዝበልጽ እዩ።

19ናይ ኢትዮጵያ ቶጳዝዮን እኳ ኣይመሳሰላን፡

ብጽሩይ ወርቂውን ኣይትምዘንን እያ።

20አረ ጥበብስ ካበይ እያ እትመጽእ፧

ቦታ ምስትውዓልከ ኣበይ እዩ ዘሎ፧

21ካብ ዓይኒ ዂሎም ህያዋን ሕብእቲ እያ፡

ካብ ኣዕዋፍ ሰማይውን ክውልቲ እያ።

22መዓሙቑን ሞትን፡

በእዛንና ወሬኣ ሰሚዕና፡ ይብሉ፡

23-24ንወሰናት ምድሪ ዝቋመቶ፡

ነቲ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ዘሎ ዂሉ ዝርእዮ ንሱ እዩ እሞ፡

ንመገዳ ዘስተውዕሎስ ኣምላኽ እዩ፡

ንቦታኣ ዝፈልጥ ንሱ እዩ።

25ንሱ ንንፋስ ሚዛን ምስ ገበረሉ፡

ንማይ ከኣ ብስፍሪ ምስ መዘኖ፡

26ንዝናምሲ ሕጊ፡

ንበርቂ ነጐዳ መገዲ ምስ መደበሉ፡

27ሽዑ ረኣያ እሞ ገለጻ፡

ኣቑሙውን መርመራ።

28ንሰብ ድማ፡ እንሆ፡ ፍርሃት እግዚኣብሄርሲ ጥበብ እዩ፡

ካብ ክፋእ ምርሓቕ ከኣ ምስትውዓል እዩ፡ በለ።

        መ. እዮብ  ምዕራፍ 29            

     1እዮብ መሊሱ ብምሰላኡ ኸምዚ ኢሉ ተዛረበ፡

2አየ፡ ከም በተን ቀዳሞት ኣዋርሕ፡

ከም በተን ኣምላኽ ዝሓለወኒ

መዓልትታት እንተ ዝኸውን እሞ መን ምሃበኒ።

3መብራህቱ ኣብ ርእሰይ ክደምቕ ከሎ፡

ብብርሃኑውን ንጸልማት ክሓልፎ ኸሎኹ፡

4ከምቲ ብዘመን ጒብዝናይ ዝነበርክዎ፡

ምስጢር ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ድናኳነይ ክዓርፍ ከሎ፡

5እቲ ዂሉ ዝኽእል ምሳይ ክነብር ከሎ፡

ደቀይውን ኣብ ዙርያይ ክቘሙ ኸለው፡

6ስጒምተይ ኣብ ጠስሚ ኽሓጽብ ከሎኹ፡

ርባታት ዘይቲ ኻብቲ ኸውሒ ኽውሕዘለይ ከሎ፡

ከምተን መዓልትታት እቲኤን እሞ መን ምሃበኒ።

7ኣብ ደገ ኸተማ ኽወጽእ፡

ኣብ ኣደባባይውን መንበረይ ክተክል ከሎኹ፡

8መንእሰያት ርእዮምኒ ይሕብኡ፡

ሽማግሌታትውን ተንሲኦም ይቘሙ ነበሩ፡

9መኳንንቲ ኸኣ ምዝራብ ይሓድጉ፡

ኣፎም ከኣ ብኢዶም ይኸድኑ ነበሩ።

10ድምጺ መሳፍንቲ ተሓብአ፡

መልሓሶምውን ኣብ ትንሓጎም ተጣበቐ።

11-12ነቲ ዝጠርዕ ጥቑዕ፡

ነቲ ረዳኢ ዘይብሉ ዘኽታምውን አናግፎ ነበርኩ እሞ፡

ዝሰምዓትኒ እዝኒ ትምርቐኒ፡

ዝረኣየትኒ ዓይኒ ኸኣ ትምስክረለይ ነበረት።

13ምርቓ እቶም ውጹዓት በጺሑኒ፡

ንልቢ መበለታትውን እልል ኣቢለዮ።

14ንጽድቂ ለቢሰያ፡ ንሳውን ለቢሳትኒ።

ፍትሐይ ከም ባርኖስን ዘውድን ነበረት።

15ዓይኒ ንዝዖረ፡

እግሪውን ንዝሓንከሰ እዀኖ ነበርኩ።

16ንድኻታትውን ኣቦኦም ነበርኩ፡

ነቲ ኣነ ዘይፈለጥክዎ ኸኣ ነገሩ መርመርኩሉ።

17ንምንጋጋ ዓማጺ ሰበርኩ፡

ነቲ ዝዘረፎ ድማ ካብ ኣስናኑ መንጠልክዎ።

18ኣነ ሽዑ፡ ኣብ ቤተይ ክመውት፡

ንመዓልትታተይውን ከም ሑጻ ኸብዝሐን እየ፡

19ሱረይ ናብ ማይ ክዝርጋሕ፡

ኣውሊ ኣብ ጨናፍረይ ክሓድር እዩ።

20ክብረይ ኣባይ ክትሕደስ፡

ቀስተይ ከኣ ኣብ ኢደይ ክትልምልም እያ፡ በልኩ።

21ንኣይ ጽን ኢሎም ይጽበዩ፡

ንምኽረይውን ስቕ ኢሎም ይሰምዕዎ ነበሩ።

22ድሕሪ ዘረባይ መሊሶም ኣይተዛረቡን፡

ዘረባይ ኣብ ልዕሊኦም የንጠብጥብ ነበረ።

23ከም ንዝናም ይጽበዩኒ፡

ከም ንዝናም ጽብሓት ኣፎም ሃህ ኣቢሎም ነበሩ።

24ክምስ ምስ በልክዎም፡ ኣይኣመኑንን፡

ንፍሽሕውነት ገጸይ ከጸውግዎ ኣይከኣሉን።

25መገዶም መርመርኩ እሞ ከም ሓለቓ ተቐመጥኩ፡

ኣብ ማእከል ሰራዊቱ ኸም ዝቕመጥ ንጉስ፡

ከምቲ ንሕዙናት ዘጸናንዕ እቕመጥ ነበርኩ።

        መ. እዮብ  ምዕራፍ 30            

     1ሕጂ ግና እቶም ብዕድመ ዝንእሱኒ፡

ነቦታቶም ምስቶም ኣኽላባት መጓሰይ እኳ

ዘይመሕበርክዎም፡ ይንዕቁኒ ኣለው።

2እዞም ናብ ዝበሰለ ዕድመ ኽበጽሑ ዘይኽእሉ ሰባት፡

ሓይሊ ኣእዳዎም እንታይ ክጠቕመኒ እዩ፧

3ብስእነትን ጥሜትን ዝማህመኑ እዮም፡

ነቲ ኻብ ቀደም ዝጸመወን በረኻ ዝዀነን

ንቑጽ ምድሪ ይግህጽዎ።

4ካብ ጥቓ ቘጥቋጥ ቈጽሊ ኣምዒ ይቕንጥቡ፡

ሱር ቈጥቋጥ ምግቦም ይገብሩ።

5ካብ ሕብረት ሰብ ይስጐጉ፡

ከም ንሰራቒ ደድሕሪኦም የድህዩ።

6ኣብ ዘፍርህ ጋግ፡ ኣብ ጒድጓድ ምድርን

ኣብ ማእከል ከውሕን ይነብሩ፡

7ኣብ ማእከል ዱር ኰይኖም ይጭድሩ፡

ኣብ ትሕቲ እሾዂ ይእከቡ።

8ውሉድ ደናቑርቲ፡ ስም ዘይብሉ ዓሌት፡

ተገሪፎም ካብ ሃገር እተሰጉ ኣዮም።

9ሕጂ ኣነ መድረፊኦም ኰንኩ፡

መዛረቢኦምውን ገበሩኒ፡

10ርሒቕ ካባይ ሃዲሞም ይፍንፍኑኒ፡

ናብ ገጸይ ጡፍ ክብሉ ኣይሓፍሩን እዮም።

11ገመደይ ፈቲሑ ኣዋረደኒ እሞ፡

ነቲ ልጓም ኣብ ቅድመይ ደርበይዎ።

12እዞም ሕማቓት ኣብ የማነይ ይትንስኡ፡

ነእጋረይ ይደፍእወን፡

ናይ ጥፍኣት መገዶም ኣብ ልዕለይ ይድርብዩ ኣለው።

13ንመገደይ የፍርስዋ ኣለው፡

ንርእሶም እኳ ረዲኤት ዘይብሎምስ፡

ንጥፍኣተይ ይተሓጋገዙ።

14ብገፊሕ ነቓዕ ከም ዝኣትው ዀይኖም ይመጹኒ፡

ብፍሩስ መካበብያ ኣንካራርዮም ይኣትው።

15ስምባደ ይወርደኒ፡

ከም ህቦብላ ዀይኖም ንኽብረይ የባርርዎ፡

ጣዕሚ ንብረተይ ከም ደበና ሓሊፉ።

16ሕጂ ድማ ነፍሰይ ኣብ ውሽጠይ ትመክኽ ኣላ፡

መዓልትታት መከራ ሒዘናኒ፡

17ብለይቲ ኣዕጽምተይ ይንደል፡

ዝቐራጥመኒ ቓንዛ ኣይዓርፍን እዩ።

18ብብርቱዕ ሓይሊ ሕማመይ ክዳነይ ተበላሽዩ፡

ከም ክሳድ ቀምሸይ ጠሚሩኒ።

19ናብ ጭቃ ደርብዩኒ፡

ከም መሬትን ሓመዂስትን ኰይነ።

20ናባኻ እምህለል ኣሎኹ፡ ኣይትመልሰለይን፡

ደው ኢለ እኔኹ፡ ተኲርካ ትጥምተኒ ኣሎኻ።

21ናብ ጨካን ተለዊጥካኒ፡

በታ ብርትዕቲ ኢድካ ትቃወመኒ ኣሎኻ።

22ሓፍ ኣቢልካ ብህቦብላ ትሕልፈኒ፡

ብሸምቦባውን ተምክኸኒ ኣሎኻ።

23አረ ናብቲ ዂሎም ህያዋን ዝእከቡሉ ቤት፡

ናብ ሞት ከም እትወስደኒ እፈልጥ ኣሎኹ።

24ግናኸ ዝወድቕ ሰብዶ ኢዱ ኣይዝርግሕን፧

ወይስ ጥፍኣት ዝመጾዶ ኣየእውን እዩ፧

25ኣነስ ነቲ ጽጉም መዓልቲ ዝረኸቦዶ እበኽየሉ ኣይነበርኩን፧

ንድኻውን ነፍሰይ ትሓዝነሉዶ ኣይነበረትን፧

26እንሆ፡ ራህዋ ንምርካብ ተስፋ ገበርኩ፡ ግናኸ ጸበባ መጸ፡

ብርሃን ተጸቤኹ፡ ግናኸ ጸልማት መጸ።

27ኣምዑተይ ይፈልሕ እሞ ኣይዓርፍን እዩ፡

መዓልትታት መከራ ተጓኒፈናኒ።

28ብዘይ ጸሓይ ጸሊመ እዘውር ኣሎኹ፡

ኣብ ማእከል ማሕበርውን እናተሳእኩ አእዊ።

29ንወኻሩ ሓወን፡

ንሰገናትውን መሓዝአን ኰንኩ።

30ቈርበተይ ጸሊሙ፡ ካብ ስጋይውን ተፋላልዩ፡

ኣዕጽምተይ ከኣ ብረስኒ ሓሪሩ።

31ስለዚ መሰንቆይ ናብ ሓዘን፡

ዕንዱረይ ከኣ ናብ ደሃይ ብኽያት ተለዊጡ።

        መ. እዮብ  ምዕራፍ 31            

     1ምስ ኣዒንተይ ኪዳን ተኣታቶኹ፡

ከመይ ኢለ ደኣ ናብ ቈንጆ ግልጽ ክብል፧

2እቲ ግደ ኣምላኽ ካብ ላዕሊ፡

እቲ ርስቲ ናይቲ ዂሉ ዝኽእል ካብ ላዕሊ እንታይ እዩ፧

3ጥፍኣት ንዓመጽቲ፡

ጸገማውን ንገበርቲ እከይ ደይኰነን ዝመጾም፧

4ንሱስ ንመገደይዶ ኣይርእያን፧

ንዂለን ስጒምተይከ ኣይቈጽረንንዶ እዩ፧

5ምስ ከንቱነት ሕብረት እንተ ኣሎኒ፡

እግረይ ናብ ጥልመት ትቕልጥፍ እንተ ዀይና፡

6 — ኣምላኽ ንጹህ ምዃነይ ምእንቲ ኽፈልጥሲ፡

ኣነ ብቕኑዕ ሚዛን እምዘን፡ —

7ስጒምተይ ካብ መገዲ እንተ ዘምቢለን፡

ልበይ ደድሕሪ ኣዒንተይ ስዒቡ እንተ ዀይኑ፡

ኣእዳወይ ገለ ርስሓት ተጸይቐን እንተ ዀይነንሲ፡

8ነቲ ዝዘራእክዎ ኻልእ ይብልዓዮ፡

ፈልሰይውን ካብ ሱሩ ይመንቈስ።

9ልበይ ብገለ ሰበይቲ ተሃንዚሉስ፡

ኣብ ደገ ቤት ብጻየይ ተጾናትየ እንተ ዀይነ፡

10-12አረ እዚ ነውሪ እዩ፡

ፈራዲ ዝቐጽዖ ሓጢኣት እዩ፡

ክሳዕ ሲኦል ዝበልዕ ሓዊ፡

ንጥሪተይ ክሳዕ ሱሩ ዘጥፍእ እዩ እሞ፡

ሰበይተይስ ንኻልእ ሰብኣይ ትጥሓን፡

ካልኦት ሰባትውን ይሕቈፍዋ።

13ጊልያይን ገረደይን ምሳይ እንተ ተቛየቑስ፡

ንመሰሎም እንተ ነዓቕክዎ፡

14ኣምላኽ ምስ ተንስአ ደኣ፡ እንታይ ክገብር፡

ምስ ተቛጻጸረንስ፡ እንታይ ክመልሰሉ እየ፧

15እቲ ንኣይ ዝፈጠረ ኣብ ማሕጸን ወላዲት ንእኡ ፈጠሮ፡

እቲ ኣብ ከርሲ ወላዲት ዝሃነጸና ሓደዶ ኣይኰነን፧

16ነቲ መስኪን ለሚኑኒ ኸሊኤዮ እንተ ዀይነ፡

ንዓይኒ መበለት ሃረር ኣቢለያ እንተ ዀይነ፡

17ንቑራስ እንጌራይ በይነይ በሊዐያ እንተ ዀይነ፡

እቲ ዘኽታም ካብኡ ዘይበልዐ እንተ ዀይኑ፡

18 — ንሱስ ካብ ንእስነተይ ጀሚረ ደኣ

ኸም ምስ ኣቦኡ ምሳይ ዓበየ፡

ካብ ከርሲ ወላዲተይ ጀሚረ ኸኣ ንእኣ መራሕክዋ። —

19ንዕሩቕ ሰኣን ክዳን ክጠፍእ፡

ወይስ ንድኻ ብዘይ ማቕ ርእየዮ እንተ ዀይነ፡

20ጐኑ ዘይመረቐኒ፡

ጸጒሪ ኣባጊዐይ ዘየሞቖ እንተ ዀይኑ፡

21ኣብ ደገስ ጸግዐይ ርእየ

ኢደይ ኣብ ልዕሊ ዘኽታም ኣልዒለ እንተ ዀይነ፡

22መንኩበይ ካብ መጋጥማ ትፈለ፡

ቅልጽመይውን ካብ ዓጽማ ትሰበር።

23መዓት ኣምላኽ ኣሰምበደኒ እሞ፡

ኣብ ቅድሚ ግርማኡውን ክቐውም ኣይከኣልኩን።

24ንወርቂ ተስፋ ጌረዮ፡

ነቲ ጽሩይ ወርቂ፡ እምንቶይ ኢኻ፡ ኢለ እንተ ዀይነስ፡

25ብእለይ በዚሑለይ ኢደይ ኣብዚሓ ደሊባ፡

ኢለ ተሓጒሰ እንተ ዀይነ፡

26ንምድማቕ ብርሃን ጸሓይን፡

ነቲ ኽቡር ኣኻይዳ ወርሕን ጠሚተ እንተ ዀይነ፡

27ልበይ ብስውር ተጠቢሩስ፡

ኣፈይ ንኢደይ እንተ ተሳሊማ፡

28በዚ ኸምዝስ ንልዑል ኣምላኽ ከሓዲኡ ምዀንኩ ነይረ እሞ፡

እዚ ኸኣ ፈራዲ ዝቕጽዖ ኣበሳ ምዀነ ነይሩ።

29ብጒድኣት ጸላእየይ ባህ ኢሉኒ እንተ ዀይነ፡

መከራ ምስ ወረዶውን፡ ተሓጒሰ እንተ ዀይነ፡

30 — ንነፍሱ እናረገምኩ ይሙት ክብል

ንትንሓገይ ኣይፈቐድኩሉን። —

31ሰብ ድንኳነይ፡ ካብ ስጋኡ ዘይጸገበ መን ኰን ይኸውን፧

ዘይበሉ እንተ ዀይኖም፡

32 — መጻእተኛ ኣብ ወጻኢ ኣይሓደረን፡

ደጌታተይ ንመንገደኛ ኸፈትኩ። —

33-34ነቲ ብዙሕ ህዝቢ ስለ ዝፈራህክዎ፡

ኣብ ዓሌት ኣዝማድ ከይንውር ከኣ ስለ ዝሓፈርኩ፡

ስቕ ኢለ ንደገ ኸይወጻእኩ፡

ንበደለይ ኣብ ትሽትሸይ ሓቢኤዮ፡

ንኣበሳይ ከም ግእዚ ሰብ ገይረ ሰዊረዮ እንተ ዀይነስ፡

35ኣየ ዝሰምዓኒ እንተ ዝረክብ።

እንሆ፡ ጽሕፈት ኢደይ፡እቲ ዂሉ ዝኽእል ይምለሰለይ፡

እቲ ወደረኛይ ድማ ክሱ ይጽሓፍ።

36ብሓቂ ኣብ መንኩበይ ምጾርክዎ፡

ዘውደይውን ምገበርክዎ፡

37ቁጽሪ ስጒምተይ መፍለጥክዎ፡

ከም መስፍን ዀይነ ምቐረብክዎ።

38ግራተይ ጠሪዓትለይ እንተ ዀይና፡

ኲለን ትልምታታውን በኽየን እንተ ዀይነን፡

39መሰል ከይሃብኩስ ንፍሬኣ በሊዐዮ እንተ ዀይነ፡

ህይወት ሓረስቶት ኣሕዚነየን እንተ ዀይነ፡

40ሽዑ ኣብ ክንዲ ስርናይስ ክርዳድ፡

ኣብ ክንዲ ስገም ከኣ ሰዓዕ ተብቁለለይ።

ዘረባ እዮብ ኣብዚ ተፈጸመ።

        መ. እዮብ  ምዕራፍ 32            

     1እዮብ ንርእሱ ጻድቕ ኰይኑ ስለ እተራእዮ፡ እቶም ሰለስተ ሰብኡት ምላሽ ምሃብ ሓደጉ። 2ሽዑ ኤሊሁ፡ ወዲ ባርኪኤል ቡዛዊ ኻብ ዓሌት ራም፡ ብዂራ ተናደደ፡ ንእዮብ ከኣ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንነፍሱ ስለ ዘጽደቓ፡ ኣበርቲዑ ዀረየሉ። 3ነቶም ሰለስተ ፈተውቱውን፡ ንእዮብ ምላሽ ስለ ዘይረኸቡሉ እሞ ስለ ዝፈረድዎ፡ ኰረየሎም። 4ብዕድመ ይዓብይዎ ስለ ዝነበሩ፡ ኤሊሁ ንእዮብ ከይተዛረቦ ጸንሐ። 5ኤሊሁ ግና፡ ሰለስቲኦም ብኣፎም ዝመልስዎ ስኢኖም ምስ ረኣየ፡ ብዂራ ተናደደ። — 6ሽዑ ኤሊሁ፡ ወዲ ባርኪኤል ቡዛዊ፡ ከምዚ ኢሉ መለሰ፡

ኣነ ብዕድመ ንኡስ እየ፡

ንስኻትኩም ግና ዓበይቲ ኢኹም፡

ስለዚ ኸኣ ሓፊረስ ክሳዕ ሕጂ ስቕ በልኩ፡

ሓሳበይውን ኣይገለጽኩልኩምን።

7ኣነ፡ እተን መዓልትታት ይዛረባ፡

ብዝሒ ዓመታት ከኣ ጥበብ የፍልጥ፡ ኢለ ሓሰብኩ።

8ግናኸ እቲ ኣብ ሰብ ዘሎ መንፈስን

እስትንፋስ እቲ ዂሉ ዝኽእልን እዩ ምስትውዓል ዝህብ።

9ዓበይቲ ኣይኰኑን ጠቢባን ዝዀኑ፡

ሽማግሌታትውን ኣይኰኑን ንቕኑዕ ዘስተውዕሉ።

10ስለዚ ድማ ኣነውን ሓሳበይ ክገልጽሲ፡

ስምዑኒ፡ እብል ኣሎኹ።

11እንሆ፡ እትዛረብዎ ኽሰምዕ ተጸቤኹ፡

ቃላት ክትምርምሩ ኸሎኹምሲ፡

ንቑም ነገርኩም ጽን በልኩ።

12ኣጸቢቐ ኣቕለብኩልኩም እሞ፡

እንሆ፡ ንእዮብ ዘረድኦ ንዘረባኡ ኸኣ ምላሽ ዝሃበሉ

ካባኻትኩም ሓደ እኳ የልቦን።

13ንስኻትኩም፡ ጥበብ ረኺብና፡

ኣምላኽ እዩ ዝስዕሮ፡ ሰብ ኣይኰነን፡ ኣይትበሉ።

14ንኣይስ ገለ እኳ ኣይተዛረበንን፡

ብዘረባኹም ከኣ ኣይክመልሰሉን እየ።

15ሰምቢዶም፡ ድሕርዚ ዘረባ ስኢኖም፡

ምላሽ ኣይሃቡን።

16ገለ እኳ ኸይመለሱን ከይተዛረቡን፡

ደው ኢሎም እዮም እሞ፡ ኣነ ኽጽበ ድየ፧

17ኣነውን ብታራይ ክመልስ፡

ኣነ ድማ ሓሳበይ ክገልጽ እየ።

18ቃላት መሊኡኒ እዩ እሞ፡

እቲ ኣብ ውሽጠይ ዘሎ መንፈስ ይድርኸኒ ኣሎ።

19እንሆ፡ ውሽጠይ ከም ሕቱም ወይኒ ብጎዕሽ ወይኒ

ክቕደድ ከም ዝቐረበ ሓርቢ እዩ።

20ክዛረብ እሞ ከስተንፍስ፡

ከናፍረይ ከፊተስ ክመልስ እየ።

21-22ንምቅብጣር እኳ ኣይፈልጦን እየ እሞ፡

ንዝዀነ ይኹን ኣድልዎ ገጽ የብለይን፡

ንሓደ እኳ ብምቅብጣር ኣይዛረብን እየ።

ከምኡ እንተ ዝኸውንሲ፡

ፈጣሪየይ ቀልጢፉ ምመንጠለኒ ነይሩ።

        መ. እዮብ  ምዕራፍ 33            

     1ዎ እዮብ፡ ሕጂ ግና ንዘረባይ ስማዕ፡

ንዂሉ ቓለይ ከኣ ጽን በሎ።

2እንሆ፡ ኣፈይ እኸፍት ኣሎኹ፡

መልሓሰይውን ኣብ ትንሓገይ ትዛረብ ኣላ።

3ዘረባይሲ ቕንዕና ልበይ እይ፡

ከናፍረይ ከኣ ነቲ ዝፈልጣኦ ብቕንዕና ኽነግራ እየን።

4መንፈስ ኣምላኽ እዩ ዝፈጠረኒ፡

እስትንፋስ እቲ ዂሉ ዝኽእል እዩ ህይወት ዝሃበኒ።

5እንተ ኽኢልካስ ምለሰለይ፡

ተዳሊኻ ኣብ ቅድመይ ቁም።

6እንሆ፡ ኣነ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከማኻ እየ፡

ኣነ ድማ ካብ መሬት እተገበርኩ እየ።

7እንሆ፡ ንኣይ ፈሪህካ ኣይክትሽበርን፡

ኢደይውን ኣይክትከብደካን እያ።

8ብሓቂ ኣብ ኣእዛነይ ተዛረብካ፡

ድምጺ ቓላትካ ሰሚዐ፡

9ኣነ ብዘይ በደል ጽሩይ እየ፡

ንጹህ እየ፡ ሓጢኣት ከኣ የብለይን።

10እንሆ፡ ንሱ ምኽንያት ኣባይ ረኺቡ፡

ከም ጸላኢ ይርእየኒ ኣሎ፡

11ነእጋረይ ኣብ ጒንዲ ኣሲሩወን፡

ንዂለን መገደይ ይቋመተን ኣሎ።

12እንሆ፡ ኣምላኽ ካብ ሰብ ይበልጽ እዩ እሞ፡

በዝስ ተጋጊኻ ኢለ እመልሰልካ ኣሎኹ።

13ብነገሩ ምላሽ ኣይህብን እዩ እሞ፡

ስለምንታይ ምስኡ እትካራኸር፧

14ኣምላኽ ሓንሳእ፡ ክልተ ሳዕ ይዘረብ፡

ሰብ ግና ኣየቕልብን እዩ።

15ብሕልሚ፡ ብናይ ለይቲ ራእይ፡

ንሰብ ከቢድ ድቃስ ምስ ወደቖ፡

ኣብ ዓራቱ ምስ ደቀሰ፡

16-18ንሰብ ካብ ግብሩ ምእንቲ ኽመልሶ፡

ካብ ትዕቢትውን ክስውሮ፡

ንነፍሱ ኻብ ዓሚቑ ምእንቲ ኽባልሃ፡

ንህይወቱውን ካብ ሴፍ ከናግፋስ፡

ሽዑ ንእዝኒ ሰብ ከፊቱ፡

ንተግሳጹ ይሓትሞ።

19ሰብ ኣብታ ምድቃሱ ብስቓያት፡

ኣብ ዓጽሙ ዂሉ ግዜ ብቓንዛ ይቕጻዕ፡

20ሽዑ ህይወቱ ንእንጌራ፡

ነፍሱውን ንጥዑም ምግቢ ትፍንፍኖ።

21ዘይርአ ኽሳዕ ዝኸውን ስጋኡ ይማስን።

እቲ ቕድም ዘይተራእየ ኣዕጽምቱ ይቕላዕ።

22ከምኡ ነፍሱ ናብ መቓብር፡

ህይወቱውን ናብ ቀተልቲ ትቐርብ።

23ንሰብ እታ ቕንዕቲ መገዲ ዝምህሮ፡

ካብ ኣሽሓትስ ሓደ ማእከላይ ኰይኑ

ዝሕልዎ መልኣኽ እንተ ተረኽበ ግና፡

24ሽዑ ንሱ፡ ካሕሳ ተቐቢለ እየ እሞ፡

ናብ መቓብር ካብ ምውራድ ኣድሕኖ፡ ኢሉ ይርሕርሓሉ።

25ስጋኡ ኻብ ናይ ሕጻን ይልምልም፡

ናብ መዓልትታት ጒብዝናኡ ይምለስ።

26ንኣምላኽ ክልምኖ እሞ፡ ንሱ ጸጋ ኽህቦ እዩ፡

ንገጹውን ብሓጐስ የርእዮ፡

ነቲ ሰብቲ ጽድቁ ይመልሰሉ።

27-28ሽዑ ንሱ፡ ኣነ በደልኩ ፍትሒውን ደፈንኩ፡

ከም ዝግብኣኒ ኸኣ ኣይተቐጻዕኩን፡

ነፍሰይ ናብ መቓብር ከይትወርድ ተበጅይዋ፡

ህይወተይ ብርሃን ትርኢ ኣላ፡

ኢለ ኣብ ቅድሚ ሰብ ይዝምር።

29-30እንሆ፡ ንነፍሱ ኻብ መቓብር ክመልሳ፡

ብብርሃን ህያዋን ምእንቲ ኽትበርህስ፡

ኣምላኽ ነዚ ዂሉ ኽልተ ሳዕ፡

ሰለስተ ሳዕ ንሰብ ይገብሮ።

31ኣታ እዮብ፡ ኣስተብሂልካማ ስማዓኒ፡

ክዛረብሲ ስቕ በል።

32እትብሎ እንተ ኣልዩካ ምለሰለይ፡

ከጽድቐካ እደሊ ኣሎኹ እሞ፡ ተዛረብ።

33እንተ ዘይኮነስ ጽን በለኒ፡

ጥበብ ክምህረካስ፡ ስቕ በል።

        መ. እዮብ  ምዕራፍ 34            

     1ኤሊሁ ኸም ብሓድሽ ከምዚ ኢሉ ተዛረበ፡

2ኣቱም ጠቢባን፡ እስኪ ዘረባይ ስምዑ፡

ኣቱም ፍልጠት ዘሎኩም፡ ናባይ ኣቕልቡ።

3ትንሓግ ንብልዒ ኸም ዘስተማቕሮ፡

እዝኒ ንዘረባ ይዕዘቦ።

4ቅኑዕ ንምረጽ፡

ንሰናይ ሓቢርና ነስተብህሎ።

5-6እዮብ፡ ኣምላኽ ደኣ ፍትሒ ደፊኑለይ እምበር፡

ኣነስ ጻድቕ እየ፡

ቅኑዕ ክነሰይ፡ ከም ሓሳዊ ዀይነ፡

ገለ እኳ ዘይበደልኩስ፡ ቁስለይ ዘይሓዊ እዩ፡ ኢሉ ኣሎ።

7-8እዮብሲ፡ ሰብ ናብ ኣምላኽ እንተ ለገበ፡

ገለ እኳ ኣይጥቀምን፡ ኢሉ እዩ እሞ፡

መሓዛ ገበርቲ ኽፋእ ዝኸውን፡

ምስቶም ረሲኣን ዝሓብር፡

ንምልጋጽ ከም ማይ ዝሰትዮ፡

ከም እዮብ ዝበለ ሰብከ ኣበይ ይርከብ፧

10ስለዚ ኣቱም ሰብ ኣእምሮ፡ እስኪ ስምዑኒ፡

ረሲእነት ካብ ኣምላኽ ይርሓቕ፡

ክፍኣትውን ካብቲ ዂሉ ዝኽእል ይርሓቕ።

11ንሰብ ደኣ ከከምታ ግብሩ ይፈድዮ፡

ንነፍሲ ወከፍ ከከም ኣካይዳኡ ገይሩ ዓስቢ ይህቦ።

12ብርግጽ፡ ኣምላኽ ዓመጻ ኣይገብርን፡

እቲ ዂሉ ዝኽእል ድማ ፍትሒ ኣይደፍንን።

13ንምድሪ ሓደራ ዝሃቦ መን እዩ፧

ንዂላ ዓለም ዝሰረታኸ መን እዩ፧

14ንሱ ንሰብ እንተ ዝሓስቦስ፡

ንመንፈሱን ንስትንፋሱን ናብ ርእሱ ምመለሶ፡

15ስጋ ዝለበሰ ዂሉ ሓቢሩ ምጠፍአ፡

ሰብ ከኣ ናብ መሬት ምተመልሰ ነይሩ።

16ምስትውዓል እንተ ኣሎካስ፡ ነዚ ስምዓዮ፡

ናብቲ ድምጺ ቓላተይ ኣቕልብ።

17እቲ ንቕንዕና ዝጸልእዶ ኽገዝእ እዩ፧

ነቲ ጻድቕን ስልጡንን ንስኻዶ በዳሊ ኽትገብሮ ኢኻ፧

18ሰብዶ ንንጉስ፡ ኣታ ብልያል፡

ወይስ ንመኳንንቲ፡ ኣቱም ረሲኣን፡ ይብሎም እዩ፧

19ኲላቶም ተግባር ኢዱ እዮም እሞ፡

ገጽ ሓለቓታት ርእዩ ኣየድሉን፡

ንሃብታም ካብ ድኻ ኣዕዚዙ ኣይርእዮን።

20ብቕጽበት ዓይኒ ይሞቱ፡

ኣብ ፍርቂ ለይቲ እኳ የንቀጥቅጡን ይሓልፉን፡

እቶም ሓያላት ድማ ብዘይ ኢድ ይንቀሉ።

21ኣዒንቱ ኣብ መገዲ ሰብ እየን እሞ፡

ንዂሉ ስጒምቶም ይርእዮ እዩ።

22እቶም ገበርቲ ሓጢኣት ዝሕብኡሉ

ጸልማት ወይስ ድነ ሞት የልቦን።

23ኣምላኽ ንሰብ፡ ኣብ ቅድሚኡ ኽፈርድ ኢሉ

ኽመጽእ ከሎ፡

ተጠንቂቑ ኽጥምቶ ኣየድልዮን እዩ እሞ፡

24ንሓያላት ብዘይ ምምርማር ይጭፍልቖም፡

ኣብ ክንድኦም ከኣ ካልኦት የቕውም።

25ንተግባሮም ይፈልጦ እዩ እሞ፡

ብለይቲ ይግልብጦም ይቕጥቅጦም ከኣ።

26-28ገዓር ድኻ ናብኡ ኽበጽሕ፡

ንገዓር ሽጉራት ድማ ከይስምዕዎስ፡

ንእኡ ኸይስዕቡ ስለ ዘግለሱ፡

ንዂለን መገድታቱ ስለ ዘይተጠንቀቑለን፡

ከም ንረሲኣን ገይሩ

ኣብ ቅድሚ ሰብ ይቐጽዖም።

29-30ረሲእ ምእንቲ ኸይነግስ፡

ንህዝቢ ኸኣ ወጽመድ ከይከውንሲ፡

ንህዝቢ ወይስ ንሓደ ሰብ

ዕረፍቲ እንተ ሃበ፡ መን እዩ ዝዂንኖ፧

ገጹ እንተ ሰወረኸ፡ መን ኣሎ ዝርእዮ፧

31-32ንኣምላኽዶ ኸ፡ መከራ ተቐቢለ፡

ድሕርዚ ኣይክብድልን እየ፡

ነቲ ዘይርእዮ ምሃረኒ፡

በዲለ እንተ ዀይነ ኸኣ ኣይክደግምን እየ፡ ዝበለዶ ኣሎ፧

33ንስኻ ኣቢኻዮ ኢኻ እሞ፡

ከም ሓሳብካ ገይሩዶ ፍዳ ኽህብ እዩ፧

ኣነ ዘይኰንኩስ፡ ንስኻ እስኪ ብዛዕባ እዚ ምረጽ፡

አረ ነቲ እትፈልጦ ተዛረብ።

34-35ለባማት ሰባትን ዝሰምዓኒ ጠቢብ ሰብን፡

እዮብ ብዘይ ፍልጠት እዩ ዝዛረብ፡

ቃላቱ ብዘይ ኣእምሮ እዩ፡ ክብሉኒ እዮም።

36-37እዮብ ኣብ ማእከልና ኣእዳው የጣቕዕ፡

ብምብዛህ ዘረባ ንኣምላኽ ይከራኸሮ፡

ኣብ ልዕሊ ሓጢኣቱ ዓመጻ ይውስኽ ኣሎ እሞ፡

ከምቶም ረሲኣን ገይሩ ምላሽ ስለ ዝሃበስ፡

ክሳዕ ፍጻሜ ይፈተን።

        መ. እዮብ  ምዕራፍ 35            

     1ኤሉሁ ኸም ብሓድሽ ከምዚ ኢሉ ተዛረበ፡

2ንስኻስ፡ ሓለፋ ኣምላኽ ጻድቕ እየ፡ ምባልካ

ቅኑዕዶ ይመስለካ፧

3እንታይ ይጠቕመኒ፧

እንተ በደልኩኸ እንታይ ክረብሕ እየ፧ ትብል ኣሎኻ እሞ፡

4ነዝስ ኣነ ክመልሰልካ፡

አረ ነቶም ብጾትካውን ምሳኻ፡

5እስኪ ንሰማያት ኣቢልካ ርአ እሞ፡

ነቲ ኻባኻ ልዕል ደበና ተመልከቶ።

6እንተ በደልካስ፡ እንታይ ትገብሮ፡

ኣበሳኻ እንተ በዝሐኸ፡ እንታይ ትጐድኦ ኢኻ፧

7ጻድቕ እንተ ዀንካ፡ እንታይ ትህቦ፧

ካብ ኢድካስ እንታይ እዩ ዝቕበሎ፧

8ረሲእነትካ ንዝኸማኻ ሰብሲ ይጐድኦ፡

ጽድቅኻውን ንወዲ ሰብ ይጠቕሞ ይኸውን።

9ዓመጻ ስለ ዝበዝሐ ይግዕሩ፡

ብምኽንያት ቀላጽም እቶም ዓበይቲ የእውዩ።

10-11ግናኸ እቲ ኻብ እንስሳታት ምድሪ ኣብሊጹ ዘስተምሃረና፡

ካብ ኣዕዋፍ ሰማይውን ኣብሊጹ ዘጥበበና፡

እቲ ብለይቲስ መዝሙር ምስጋና ዝህብ

ዝፈጠረኒ ኣምላኽከ ኣበይ እዩ ዘሎ፧ዝብል የልቦን።

12ብሰሪ ትዕቢት እኩያት ሽዑ ይጠርዑ፡

ግናኸ ንሱ ምላሽ ኣይሃቦምን።

13ብሓቂ፡ ኣምላኽ ንኸንቱነት ኣይሰምዖን፡

እቲ ዂሉ ዝኽእል ከቶ ኣየቕልበሉን።

14ምናዳ ግና ከም ዘይትርእዮ እንተ በልካ፡

ፍትሒ ኣብ ቅድሚኡ ኣሎ፡ ንስኻውን ተጸበዮ።

15ሕጂኸ ብቑጥዓኡ ስለ ዘይቀጽዐ፡

ንድፍረት ከም ዘይፈልጦዶ ይመስለካ ኣሎ፧

16እምበኣርከ እዮብ ብኸንቱ ኣፉ ይኸፍት፡

ብዘይ ፍልጠት ከኣ ዘረባ የብዝሕ ኣሎ።

        መ. እዮብ  ምዕራፍ 36            

     1ኤሊሁ ወሲኹ ተዛረበ፡

2ስለ ኣምላኽ ገና ዝዝረብ ኣሎኒ እሞ፡

ኣነ ኸምህረካ ቕሩብ ጽናሕ።

3ንፍልጠተይ ካብ ርሑቕ ከምጽኦ እየ፡

ፈጣርየይ ጻድቕ ከም ዝዀነ ኸርኢ እየ።

4ብሓቂ፡ ዘረባይ ሓሶት ኣይኰነን፡

ፍጹም ፍልጠት ዘለዎ ምሳኻ ኣሎ።

5እንሆ፡ ኣምላኽ ስልጡን እዩ፡

ግናኸ ንሓደ እኳ ኣይንዕቕን፡

ብሓይሊ ምስትውዓሉ ስልጡን እዩ።

6ንህይወት ረሲእ ኣይሕልዋን፡

ንመሳኺን ግና ፍትሒ የውጽኣሎም።

7ኣዒንቱ ኻብ ጻድቃን ኣይመልሰንን፡

ንሓዋሩ ምስ ነገስታት ኣብ ዝፋን የቐምጦም፡

እሞ ልዕል ይብሉ።

8ብሰንሰለት እንተ ተኣሰሩ፡

በግማድ ሽጋር እንተ ተታሕዙ፡

9ንሱ ንተግባሮም፡

ነቲ ብትዕቢት ዝገበርዎ ምትሕልላፎም የፍልጦም።

10እዝኖም ንተግሳጽ ከፊቱስ፡

ካብ ሓጢኣት ክምለሱ ይእዝዞም።

11እንተ ሰምዕዎ እሞ እንተ ተገዝእዎ፡

መዓልትታቶም ብሰናይ፡

ዓመታቶምውን ብደስታ ይፍጽሙ።

12እንተ ዘይሰምዑ ግና፡ ብሰይፊ ኽጠፍኡ፡

ብዘይ ፍልጠትውን ክሞቱ እዮም።

13እቶም ብልቦም ረሲኣን ዝዀኑ ግና ኲራ የብዝሑ፡

እንተ ኣሰሮም ከኣ ኣየእውዩን።

14ነፍሶም ብሰዊታ ትቕዘፍ፡

ህይወቶም ከኣ ኣብ ማእከል ርኹሳት ትጠፍእ።

15ንሽጉር ብሽጋሩ ገይሩ የድሕኖ፡

ብጭንቀትውን ንእዝኖም ይኸፍቶ።

16ከምኡ ድማ ንኣኻ ኻብ ኣፍ ጸበባ

ናብቲ ጭንቂ ዘይብሉ ገፊሕ ቦታ ኸውጽኣካ፡

ስቡሕ መኣዲውን ክቕርበልካ እዩ።

17ንስኻ ግና ፍርዲ ረሲእነት መሊእካ ኣሎኻ፡

ፍርድን ፍትሕን ሒዘናኻ እኔዋ።

18ኲራ ናብ ጸርፊ ኸይደፍኣካ ተጠንቀቕ፡

ካሕሳ እንተ በዝሐ እኳ፡ ኣየጋጊኻ።

19ሃብትኻን ኲሉ ምብርታዕ ሓይልኻን

ካብ ጸበባ ኸውጽኣካዶ ይኣክል እዩ፧

20ነታ ነህዛብ ካብ ቦታኦም እትጸርጎም ለይቲ ኣይትናፍቃ።

21ካብ መከራ ንሓጢኣት መሪጽካ ኢኻ እሞ፡

ናብኡ ኸይትምለስ ተጠንቀቕ ደኣ።

22እንሆ፡ ኣምላኽ ብሓይሉ ልዑል እዩ፡

ከምኡ ገይሩ ዝምሃርከ መን እዩ፧

23መገዱ ዝሓበሮ መን እዩ፧

መንከ፡ ሓጢኣት ጌርካ፡ ክብሎ ይኽእል፧

24ነቲ ሰባት ዝውድስዎ ተግባሩ

ከተዕብዮ ደኣ ዘክር።

25ኲሎም ይጥምትዎ፡

ነፍሲ ወከፍ ኣማዕድዩ ይርእዮ።

26እንሆ፡ ኣምላኽ ዓብዪ እዩ፡ ኣይንፈልጦን ኢና፡

ቁጽሪ ዓመታቱ ኸኣ ኣይምርመርን።

27ንነጥብታት ማይ ንላዕሊ ይስሕቦ፡

ካብ ግመ ኸኣ ዝናም ይዘንም።

28ደበናታት የንጠብጥቦ፡

ኣብ ልዕሊ ብዙሕ ሰብውን የፍስሶ።

29አረ ንምዝርጋሕ ደበናታት፡

ነቲ ኻብ ድንኳኑ ዝወጽእ ደሃይውን መን እዩ ዘስተውዕሎ፧

30እንሆ፡ ንብርሃኑ ኣብ ዙርያኡ ይዝርግሖ፡

ንመዓሙቑ ባሕሪ ኸኣ ይሽፍኖ።

31በዚ ኸምዚ ነህዛብ ይፈርዶም፡

ምግቢ ድማ ኣበርኪቱ ይህብ።

32ነእዳው ብመብረቕ ይስውረን፡

ናብቶም ተጻረርቲ ይውርውሮ።

33ነጐዳጓዱ ስሌኡ ይነግር፡

እንሰሳታት ከኣ ምቕራብ ይፈልጡ።

        መ. እዮብ  ምዕራፍ 37            

     1እወ፡ በዝስ ልበይ የንቀጥቅጥ፡

ካብ ስፍራኡ ኸኣ ይናወጽ ኣሎ።

2ኣታ ስምዑ፡ ነቲ ምህማም ድምጹ፡

ነቲ ኻብ ኣፉ ዝወጽእ ደሃይ ስምዕዎ።

3ንእኡ ናብ ትሕቲ ዂሉ ሰማይ

ንመብረቑውን ክሳዕ ወሰን ይሰዶ።

4ድሕርዚ ድምጺ ይጓዝም፡

በቲ ግርማዊ ድምጺ የንጐድጒድ፡

ድምጺ ምስ ዝስማዕውን፡ ንበርቅታት ኣይኽልክሎን።

5ኣምላኽ ብድምጹ ዘደንቕ ገይሩ የንጐድጒድ፡

ዘይነስተውዕሎ ዓበይቲ ነገር ይገብር።

6ንውርዕጭን ንነጠብጣብ ዝናምን ንብርቱዕ ጸፍዕን፡

ናብ ምድሪ ውረድ፡ ይብሎ።

7ኲሎም ሰብ ተግባሩ ምእንቲ ኽፈልጡስ፡

ንኢድ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ይሓትሞ።

8ሽዑ ኣራዊት ነናብ መሕብኢኦም ይኣትው፡

ኣብ በበዓቶም ይቕመጡ።

9ህቦብላ ኻብቲ ሕቡእ ስፍራኡ፡

ዛሕሊ ኸኣ ካብ ሰሜን ይወጽእ።

10ብእስትንፋስ ኣምላኽ በረድ ይኸውን፡

ምግፋሕ ማያት ድማ ይጸብብ።

11ንደበናታት ማይ ይጽዕኖም፡

ንናይ መብረቕ ደበናታትውን ይብትኖም።

12እዚኣቶም፡ ነቲ ንሱ ዝእዝዞም ዘበለ

ኣብ ልዕሊ ዂሉ ገጽ ምድሪ ምእንቲ ኽገብሩስ፡

ብእኡ እናተመርሑ ናብዝን ናብትን ይመላለሱ ኣለው።

13ወይ ንመቕጻዕቲ ወይ ንምድሩ

ወይ ንምሕረት የውርዶም።

14እምበኣርስከ ዎ እዮብ፡ ነዚ ስማዕ፡

ንተኣምራት ኣምላኽ ህድእ ኢልካ ኣስተንትኖ።

15ኣምላኽ ከመይ ገይሩ ከም ዘቃንዖም፡

ንበርቂ ደበናኡ ኸመይ ገይሩ ኸም ዘብርቖ ትፈልጦ ዲኻ፧

16ነቲ ምድልዳል ደበና፡

ናይቲ ፍልጠቱ ፍጹም ዝዀነ ዘደንቅ ግብሪኸ ትፈልጦ ዲኻ፧

17ምድሪ ብንፋስ ደቡብ ምስ ደንዘዘት፡

ንስኻ ኽዳውንትኻ ዘይድህረካስ ተስተውዕሎ ዲኻ፧

18ነቲ ኸም ፍሱስ መስትያት ዝምጽናዑ ሰማይሲ

ምስኡ ዄንካዶ ዘርጊሕካዮ ኢኻ፧

19ንሕናስ ብሰሪ ጸልማት

ብስርዓት ክንዛረብ ኣይንኽእልን ኢና እሞ፡

ንእኡ እንብሎ፡ ንስኻ ምሃረና።

20ኣነ ኽዛረብ ከም ዝደልስ ክነግርዎ ድዮም፧

ክውሓጥ ዝደሊ ሰብዶኸ ኣሎ፧

21ሕጂ እቲ ኣብ ውሽጢ ደበናታት ዝበርህ ብርሃን ኣይርአን እዩ፡

ግናኸ ንፋስ ሓሊፉ የጽርዮ።

22ወርቂ ኻብ ሰሜን እዩ ዝመጽእ፡

ኣምላኽ ብዘፍርህ ግርማ ተኸቢቡ ኣሎ።

23ነቲ ዂሉ ዝኽእል ክንረኽቦ ኣይንኽእልን ኢና፡

ንሱ ብሓይሊ፡ ብፍርዲ፡ ብፍትሒ ዓብዪ እዩ፡

ንሓደ እኳ ኣይጭቁንን።

24ስለዚ እዩ ሰባት ዝፈርህዎ፡

ነቶም ብልቦም ጠቢባን ዝዀኑ ኣየቕልበሎምን እዩ።

        መ. እዮብ  ምዕራፍ 38            

     1ሽዑ እግዚኣብሄር ንእዮብ ካብ ህቦብላ ንፋስ ከምዚ ኢሉ መለሰሉ፡

2ብዘይ ፍልጠት ብምዝራቡ

ንምኽረይ ዘጸልምቶ መን እዩ፧

3ከም ሰብኣይ ኴንካ ሕቜኻ ተዓጠቕ፡

ኣነ ኽጥይቐካ እየ፡ ንስኻውን ምለሰለይ።

4ኣነ ንምድሪ ኽስርታ ኸሎኹስ፡ ኣበይ ነበርካ፧

ኣእምሮ እንተ ኣልዩካስ፡ ንገረኒ።

5ነቲ ልክዓ ዝወሰነ መን እዩ፧ — ዒራ ትፈልጦ ኢኻ፡ —

ገመድ መለክዒ ኣብ ልዕሊኣ ዝዘርግሐኸ መን እዩ፧

6-7ከዋኽብቲ ጽባሕ ሓቢሮም ከመስግኑ፡

ኲሎም ደቅ ኣምላክ እልል ክብሉ ኸለው፡

መሰረታ ኣብ ምንታይ ተሰረተ፧

ወይ እምኒ መኣዝና ዘቘመ መን ኰን ይኸውን፧

8ከም ካብ ከርሲ ወላዲቱ ጥሒሱ ምስ ወጸ፡

ንባሕርስ ደጌታቱ ዝዓጸወኸ መን እዩ፧

9ደበና ልብሱ ክኸውን፡

ድቕድቕ ጸልማት ድማ መጠቕለሊኡ ክኸውን ምስ ገበርኩ፡

10ዶብ ምስ ኣቘምኩሉ፡

መሽጐርን መዓጹን ምስ ገበርኩሉ፡

11ክሳዕ ናብዚ ኽትመጽእ፡ ካብኡ ንንየው ኣይኰነን፡

እቲ ብርቱዕ ትዕቢት ማዕበላትካ

ኻብዚ ኣይክሓልፍን እዩ፡ በልኩ።

12-13ንወሰናት ምድሪ ኽሕዞ እሞ፡

እቶም ረሲኣን ተደርብዮም ምእንቲ ኽወጹ፡

ካብ እትውለድ ጀሚርካስ፡ ንንግሆ ኣዚዝካዮ፡

ወይስ ንወጋሕታ ሰፍራኡ ሓቢርካሉዶ ትፈልጥ ኢኻ፧

14ንሳ ኸም ጭቃ ኣብ ትሕቲ ማሕተም ትልወጥ፡

ኲሉ ነገርውን ከም ልብሲ ይቐውም፡

15ሽዑ ንረሲኣን ብርሃኖም የግድፎም፡

እቲ ልዕል ዝበለ ቕልጽምውን ይስበር።

16ክሳዕ ምንጭታት ባሕሪዶ በጺሕካ፧

ኣብ ውሽጢ መዓሙቑከ ተመላሊስካዶ ትፈልጥ፧

17ደጌታት ሞትከ ተቐሊዑልካዶ፧

አረ ንደጌታት ድነ ሞትዶ ርኢኻ፧

18ንግፍሒ ምድሪኸ ኣስተብሂልካዮዶ፧

እዚ ዂሉ እትፈልጥ እንተ ዄንካስ፡ ተዛረብ።

19-20ናብ ወሰኑ ኸተብጽሖ፡

ናብ ቤቱ እትወስድ መገዲውን ክትፈልጥሲ፡

እታ ናብ ማሕደር ብርሃን እትወስድ መገዲ ኣበይ ኣላ፧

ጸልማትከ ቦታኡ ኣበይ ኣሎ፧

21ሽዑ ይኣ ተወሊድካ ኔርካ ኢኻ፡

አረ ቑጽሪ መዓልትታትካ ብዙሕ እዩ እሞ፡

ንስኻ ትፈልጦ ኢኻ።

22-23ናብቲ ንግዜ ጸበባ ንመዓልቲ ሰልፍን ውግእን

ክኸውን ኢለ ዝዓቘርክዎ

መዝገብ ውርጪዶ ኣቲኻ፧

ወይስ ነቲ መዝገብ በረድከ ርኢኻዮዶ ፧

24ኣብ ልዕሊ ምድሪ እታ ብርሃን ዝምቀለላ፡

ንፋስ ምብራቕ ዝዝርግሓላ መገድስ ኣየነይቲ እያ፧

25-27ነታ ሰብ ዘይነብረላ ሃገር፡

ነቲ ሰብ ዘይብሉ በረኻ ምእንቲ ኸዝንመሉስ፡

ነቲ ምድሪ ኣጻምእን በረኻን ከርውዮ፡

ለምለም ሳዕሪ ምእንቲ ኸብቁል፡

ንፋሳሲ ዝናምሲ መትረብ ዘቃንዓሉ፡

ንበርቂ ነጐዳውን መገዲ ዝህቦ መን እዩ፧

28ንዝናምዶ ኣቦ ኣልይዎ፧

ንነጠብጣብ ኣውሊ ዝወለዶኸ መን እዩ፧

29በረድ ካብ ከርሲ መን እዩ ዝወጽእ፧

ንኣስሓይታ ሰማይከ ዝወለዶ መን እዩ፧

30ማያት ከም እምኒ ዀይኑ ይስወር፡

ዝባን እቲ ዓሚቑውን ይረግእ።

31ንማእሰር እቶም ሾብዓተ ኸዋኽብቲ ኽትልቅሞ፡

ንኦሪዮን ካብ ማእሰሩ ኽትፈትሖዶ ይከኣለካ እዩ፧

32ንናይ ማዛሮት ምልክት በብግዜኡ ኸተውጽኦ፡

ወይስ ንድቢ ምስቶም ደቃ ክትመርሓዶ ይከኣለካ እዩ፧

33ንሕጋጋት ሰማይ ትፈልጦ ዲኻ፧

ንምልኩ ኣብ ልዕሊ ምድሪ እትምድቦኸ ንስኻ ዲኻ፧

34ብዝሒ ማይ ምእንቲ ክኸድነካ፡

ንድምጽኻ ኽሳዕ ደበና ኸተልዕሎዶ ይከኣለካ እዩ፧

35እኔና ኢሎምኻ ክኽዱስ፡

ንበርቅታት ክትልእኮምዶ ይከኣለካ እዩ፧

36ንጥበብ ናብ ውሽጢ ዘንበራ መን እዩ፧

ወይስ ንልቢ ምስትውዓል ዝሃቦ መን እዩ፧

37-38ሓመድ ተበጽቢጹ ምስ ዝረግእ፡

ደናኲል ብሓደ ምስ ዝጣበቑ፡

ንደበናታት ብጥበብ ዝቘጽሮም መን እዩ፧

ነሕርብቲ ሰማይ ዘፍስሶምከ መን እዩ፧

39-40ንዋዕሮዶ ሃድን ተምጽኣላ፡

ነቶም ኣብ በዓትታት ለጥ ኢሎም፡

ኣብ ዱርውን ኣድብዮም ዝጸንሑ

ኰራዂር ኣንበሳኸ፡ ንጥሜቶምዶ ተጽግቦ ኢኻ፧

41ኳዂ፡ ጨጫውቱ ዝብላዕ ስኢኖም እናተመላለሱ፡

ናብ ኣምላኽ እንተ ተማህለሉ፡

ዝምግቦኸ መን እዩ፧

        መ. እዮብ  ምዕራፍ 39            

     1ነቲ ጤለ በዱ እትወልደሉ ግዜ ትፈልጦዶ፧

ነቲ እራብ ቅልውላው እትተሓዘሉ ግዜኸ

ተመልኪትካዮዶ ኣሎኻ፧

2ነቲ ምብጻሕ ኣዋርሐንዶ ትቘጽሮ፧

ነቲ ንሳተን ዝወልዳሉ ግዜስ ትፈልጦዶ ኢኻ፧

3ብርክኽ ኢለን ይወልዳ፡

ካብቲ ጻዕረን ከኣ ይዓርፋ።

4መሓስአን ይጥንክራ፡ ኣብ መሮር ይዓብያ፡

ይወጻ እሞ ናባታተን ኣይምለሳን፡

5-6ነቲ ጸምጸም በረኻ ስፍራኡ፡

ምድሪ ጨው ከኣ ማሕደሩ ክኸውን ዝሃብክዎ

ኣድጊ በረኻ ሓራ ዘውጽአ መን እዩ፧

ነቲ ኣብ በረኻ ዀለል ዝብል ኣድግስ

መእሰሪኡ መን ፈትሓሉ፧

7ነቲ ናይ ከተማ ጫውጫው የባጭወሉ፡

ደሃይ ኰብኳቢውን ኣይሰምዕን።

8ነቲ ዝበልዓሉ ጎቦታት ይምልከቶ፡

ለምለም ዘለዎ ዂሉ ኸኣ ይደሊ።

9ጐባይከ ኽግዝኣካዶ ፍቓዱ እዩ፧

ኣብ ደምቤኻስ ይሓድረልካዶ፧

10ምእንቲ ኽትልመልካዶ ንጐባይ ብገመድ ትኣስሮ ኢኻ፧

ደድሕሬኻኸ ንለሴታትዶ ይጒልጒል እዩ፧

11ሓይሉ ብርቱዕ ስለ ዝዀነዶ ኽትእመኖ፡

ወይስ ንዕዮኻዶ ኽትገድፈሉ ኢኻ፧

12እኽልኻ ክኸተልካ፡

ኣብ ዓውዲውን ክእክቦ ትኣምኖዶ ኢኻ፧

13ኣኽናፍ ሰገን ብሓጐስ የንገብግብ፡

ግናኸ ኣኽናፋን ክንቲታን ርሕሩሕዶ እዩ፧

14ንእንቋቑሖኣ ኣብ ምድሪ ተውድቖ፡

ኣብ ልዕሊ ሑጻውን ተሙቖ።

15እግሪ ኸይጭፍልቐለይ፡

ኣራዊትውን ከይረግጸለይ፡ ኢላ ኣይትዝክርን እያ።

16-17ኣምላኽ ጥበብ ከሊእዋ፡

ምስትውዓልውን ኣይዓደላን እዩ እሞ፡

ንውሉዳ ኸም ዘይናታ ትጭክነሉ፡

ጻዕራ ኸንቱ ብምዃኑ ኣይትጒህን።

18ብድድ ኢላ ምስ ሸበበት፡

ንፈረስን ፈረሰኛን ትስሕቆም።

19ንፈረስ ሓይሉ ዝሃብካዮ

ንኽሳዱውን ዘውዘው ዝብል ጒንጒነ

ዘልበስካዮ ንስኻ ዲኻ፧

20ከም ኣንበጣዶ ተሰራስሮ ኢኻ፧

ዕቡይ ኲርፍታኡ ዘሰምብድ እዩ።

21ኣብ ጐልጐል እናጸሕተረ ብሓይሉ ይሕጐስ፡

ምስ ኣጽዋር ክገጥም ይወጽእ።

22ንፍርሃት የባጭዎ ኣይፈርህን ከኣ፡

ካብ ሰይፊውን ድሕር ኣይብልን እዩ።

23ኣብ ልዕሊኡ ናይ ፍላጻ ጒልድባ፡

ቁልጭልጭ ዝብል ኲናትን ስሕለትን

ጭዋሕዋሕ ይብል።

24እናፈጠነ ብዂራ ንምድሪ ይውሕጣ፡

መለኸት ክንፋሕ ከሎ፡ ኣይግታእን።

25መለኸት ምስ ዝሰምዕ፡ ይሕምሕም፡

ንሰልፍን ንጭድርታ ሓላቑን ንወኻዕታ ሰራዊትን

ካብ ርሑቕ ይሽትቶ።

26ሊላ ንላዕሊ ዝነፍር፡

ኣኽናፋውን ንደቡብ ኣቢሉ ዝዝርግሕከ ብጥበብካ ድዩ፧

27ንስሪ ንላዕሊ ዝዓርግ፡

ቤቱውን ኣብ ላዕሊ ዝሰርሕከ ብትእዛዝካ ድዩ፧

28ኣብ ከውሒ፡ ኣብ ጫፍ ከውሒ ይነብር፡

ኣብ ልዕሊ እምባ ይሓድር።

29ኣብኡ ዀይኑ ዝዝረፍ የማዕዱ፡

ኣዒንቱ ኽሳዕ ርሑቕ ይጥምታ።

30ጨጫውቱ ደም ይመጽዩ፡

ኣብቲ ቕቱላት ዘለውዎ ንሱ ኣብኡ ይርከብ።

        መ. እዮብ  ምዕራፍ 40            

     1እግዚኣብሄር ንእዮብ መለሰሉ በሎውን፡

2እቲ ወቓሲ ምስቲ ዂሉ ዝኽእልዶ ኽማጐት እዩ፧

እቲ ንኣምላኽ ዝግስጾ ሕጂ ይምለስ።

3ሽዑ እዮብ ንእግዚኣብሄር መለሰሉ በሎውን፡

4እንሆ፡ ኣነ ምናምን እየ፡ እንታይ ኢለኸ ኽመልሰልካ፧

ንኣፈይ ብኢደይ ሒዘያ እየ።

5ሓንሳእ ተዛሪበ ነይረ፡ ሕጂ ኸኣ ኣይክመልስን እየ፡

አረ ኽልተ ሳዕ፡ ግናኸ ኣይክደግምን እየ።

6ድማ እግዚኣብሄር ንእዮብካብ ህቦብላ ንፋስ ተዛረቦ

በሎውን፡

7ሰብኣይ ኩን፡ ሕቜኻ ተዓጠቕ፡

ኣነ ኽጥይቐካ እየ፡ ንስኻውን ምሃረኒ።

8ርእስኻ ምእንቲ ኸተጽድቕሲ፡

ንፍርደይዶ ኸንቱ ኽትገብሮ፡

ንኣይከ ኽትኲንነኒዶ ትደሊ ኣሎኻ፧

9ከም ናይ ኣምላኽ ዝዀነ ቕልጽምዶ ኣሎካ፧

ከምቲ ድምጹ ጌርካ ኽተንጐድጒድዶ ይከኣለካ እዩ፧

10እምበኣርስከ ኽብረትን ልዕልናን ተሰለም፡

ክብርን ግርማን ከኣ ልበስ።

11ንውሒዝ ቁጥዓኻ ኣፍሲስካ፡

ንዕቡይ ዘበለ ዂሉ ጠሚትካ ኣዋርዶ።

12ንዕቡይ ዘበለስ ጠሚትካ ትሕት ኣብሎ፡

ንረሲኣንውን ኣብ ቦታቶም ርገጾም፡

13ንዂላዂሎም ኣብ ሓመድ ሕብኣዮም፡

አረ ንገጾም ኣብ ሕቡእ ስፍራ ዕጸዎ፡

14ሽዑ ኣነ ድማ፡ የማነይትኻ ተድሕነካ እያ፡

ኢለ ኽንእደካ እየ።

15ነቲ ምሳኻ ዝገበርክዎ ብህሞት እሞ ርኣዮ፡

ንሱ ኸም ብዕራይስ ሳዕሪ ይበልዕ፡

16እንሆ ድማ፡ ሓይሉ ኣብ ሕቜኡ፡

ምብርታዑ ኣብ ጭዋዳ ኸብዱ እዩ ዘሎ።

17ንጭራኡ ኸም ኦም ሊባኖስ ይዝርግሖ፡

ጅማውቲ ሰለፉ ጽኑዕ ትትዖ እዩ፡

18ኣዕጽምቱ ኸም ሻምብቶ ኣስራዚ እዩ፡

ኣካላቱ ኸም በትሪ ሓጺን እዩ።

19ንሱ ንኣምላኽ ኣውራ ፍጥረቱ እዩ፡

ፈጣሪኡ ኸኣ ሴፉ ሃቦ።

20ኣኽራን ሳዕሪ የብቁለሉ እዩ እሞ፡

ኲለን እንስሳ መሮርውን ኣብኡ ይጻወታ።

21ኣብ ትሕቲ ጽላል ኣእዋም፡

ኣብ ሰንሰላን ጨፈቃን ተሓቢኡ ለጥ ይብል፡

22ኣእዋም የጽልሎ፡ ናይ ወሓዚ ዕቦላት ይኸቦ።

23ውሒዝ ብሓይሉ እንተ ተጀርበባ እኳ፡ ኣይሽበርን እዩ፡

ዮርዳኖስ ክሳዕ ኣፋ እንተ መልአውን፡ ህዱእ እዩ።

24እናረኣየዶ ይተሓዝ እዩ፧

ንኣፍንጫኡ ኣንኲሉ ሰነቀ ዘእትወሉኸ መን እዩ፧

25ንሌዋታን ብመቑለብዶ ትስሕቦ፧

ንመልሓሱ ብገመድ ትኣስሮዶ ኢኻ፧

26ናብ ኣፍንጫኡ ሰንቀዶ ተእትወሉ፡

ንምንጋጋኡኸ ብእሾዂዶ ተንኲሎ ኢኻ፧

27ብዙሕ ልማኖዶ ይልምነካ፧

ወይስ ብጥዑም ዘረባዶ ይዛረበካ እዩ፧

28ንሓዋሩ ባርያኻ ኽትገብሮስ፡

ምሳኻዶ ኪዳን ይኣቱ እዩ፧

29ከም ዑፍዶ መጻወቲ ትገብሮ ኢኻ፧

ወይስ ኣዋልድካ ምእንቲ ኽስሓቓሉዶ ትኣስሮ ኢኻ፧

30ነጋዶ ይነግድዎ ድዮም፧

ኣብ ሞንጎ ሸቓጦኸ ይመቕልዎ ድዮም፧

31ንቘርበቱ ብዂናት፡

ንርእሱ ኸኣ ብመቓጥን ዓሳዶ ትመልኦ ኢኻ፧

32እሲኪ ኢድካ ኣብ ልዕሊኡ ኣንብር፡

ነቲ ሰልፊ ኽትዝክሮ እሞ መሊስካ ኣይክትደግሞን ኢኻ።

        መ. እዮብ  ምዕራፍ 41            

     1እንሆ፡ ተስፋኡ ኸንቱ እዩ፡

ዝረኣዮ ዂሉ ኣብ ቅድሚኡ ይወድቕ።

2ንእኡ ክቕስቅሶ ዝደፍር የልቦን።

ኣብ ቅድመይ ዝቐውም ደኣ መን እዩ፧

3እቲ ቕድም ገለ ዝሃበኒ፡

ኣነውን ዝመልሰሉ፡ መን እዩ፧

ኣብ ትሕቲ ሰማይ ዘሎ ዂሉ ናተይ እዩ።

4ኣነ ብናይ ኣካላቱ፡ ብናይ ብርቱዕ ሓይሉ፡

ብናይ ምጽባቕ ኣገባብራኡ ስቕ ኣይክብልን እየ።

5ንጌጽ ክዳኑ ዝቐልዖ መን እዩ፧

ናብ መንጎ ኽልቲኤን ምንጋጋኡ መን ይኣቱ፧

6ንመዓጹ ገጹ ዝኸፍት መን እዩ፧

ኣብ ዙርያ ኣስናኑ ፍርሃት ኣሎ።

7እቶም ብርቱዓት ዋልታታቱ ትዕቢቱ እዮም፡

ከም ብጸቢብ ማሕተም እተጋጠሙ እዮም፡

8ንሓድሕዱ ተላጊቡ እዩ፡

ብመንጎኡ ንፋስ ኣይኣቱን።

9እቲ ሓደ ምስቲ ሓደ ግጡም እዩ፡

ንሓድሕዶም ይተሓሓዙ ኣይፋላለዩንውን እዮም።

10እንጥሾኡ ብርሃን የንጸባርቕ፡

ኣዒንቱ ኸም ናይ ወጋሕታ ቕርኒብ ዓይኒ እዩ።

11ካብ ኣፋ ፋና ይወጽእ፡

ካብኡ ኸኣ ቁልዒ ሓዊ ይነጥር።

12ከም ካብ ዝገርር ድስትን ቁራዕን

ካብ ኣፍንጫኡ ትኪ ይወጽእ።

13ብእስትንፋሱ ንሕመት የንድዶ፡

ካብ ኣፉ ኸኣ ሃልሃልታ ይወጽእ።

14ኣብ ክሳዱ ሓይሊ ይሓድር፡

ኣብ ቅድሚኡ ፍርሃት ይሰራሰር።

15ክፍልታት ስጋኡ ግጡም እዩ፡

ኣብ ልዕሊኡ ጽኑዕ፡ ከቶ ዝይነቓነቕ እዩ።

16ልቡ ኸም እምኒ ተሪር እዩ፡

ከም እምኒ መጥሓን ከኣ ጽኑዕ እዩ።

17ንሱ እንተ ተንስአ፡ ጀጋኑ ይሽበሩ፡

ብሰሪ ፍርሃትሲ ልቦም ይጠፍኦም።

18ሰይፊ እንተ ወቕዖ፡ ኲናት ወይ ጩረ፡

ወይ መውግእ ኣንበሪ ዓሳ ከቶ ኣይጠቅምን እዩ።

19ንሱ ንሓጺን ከም ሓሰር፡

ነስራዚውን ከም በዂባዂ ዕጨይቲ ይቘጽሮ።

20ፍላጻ ኣየህድሞን፡

እምኒ ወንጭፍን ከም ብርዒ ይዀኖ።

21ንጐመድ ከም ብርዒ እዩ ዝቘጽሮ፡

ንምውርዋር ኲናት ከኣ ይስሕቆ።

22ኣብ ትሕቲ ኸብዱ በሊሕ ስሕለት ኣለዎ፡

ኣብ ጭቃ ኸኣ ኣሰር በላሕቲ ጫፍ ይሓድግ።

23ንሱ ንመዓሙቑ ከም ድስቲ የፍልሖ፡

ንባሕሪ ድማ ከም ቁራዕ ቅዲት ይገብሮ።

24ደድሕሪኡ እቲ መገዲ ይበርህ፡

እቲ መዓሙቑውን ሽበት ይመስል።

25ንሱ ዘይፈርህ ኰይኑ ተፈጥረ እሞ፡

ኣብ ምድሪ ማዕሬኡ ዝኸውን ከቶ ኣይርከብን።

26ንልዕል ዝበለ ዂሉ ንዒቑ ይጥምቶ።

ንብዘለው ደቂ ትዕቢት ከኣ ንጉሶም እዩ።

        መ. እዮብ  ምዕራፍ 42            

     1ሽዑ እዮብ ንእግዚኣብሄር ከምዚ ኢሉ መለሰሉ፡

2ኲሉ ኸም እትኽእል፡ ነቲ ዝመደብካዮ ኸኣ

ዝኽልክለካ ኸም ዘየልቦን፡ እፈልጥ ኣሎኹ።

3ብዘይ ፍልጠት ነቲ ምኽሪ ዘጸልምቶ መን እዩ፧

ስለዚ ኣነ ነቲ ዘየስተውዓልክዎ፡

ንኣይ እምብዛ ዘገርም ዝዀነ፡ ዘይፈልጦ ነገር ተዛረበ።

4ክዛረበካስ ስምዓኒ ዀታ፡

ኣነ ኽጥይቐካ፡ ንስኻውን ምሃረኒ።

5ብሰማዒት እዝኒ ብዛዕባኻ ሰሚዐ ነይረ፡

ሕጂ ግና ዓይነይ ርእያትካ።

6ስለዚ ንርእሰይ እፍንፍን ኣሎኹ፡

ኣብ ሓመድን ሓመዂስትን ኰይነ ኸኣ እንሳሕ ኣሎኹ።

     7እግዚኣብሄር ንእዮብ እዚ ምስ ተዛረቦ፡ ንኤሌፋዝ ቴማናዊ በሎ፡

 ብዛዕባይ ከምቲ እዮብ ባርያይ ዝገበሮ ጌርኩም፡ ቅኑዕ ስለ ዘይተዛረብኩም፡ ኣባኻን ኣብ ክልቲኦም መሓዙትካን ኲራይ ተቓጺሉ እዩ። 8ሕጂ ኸኣ ሾብዓተ ዝራብዕን ሾብዓተ ድዑልን ሒዝኩም ናብ እዮብ ባርያይ ኪዱ እሞ ብናይ ርእስኹም መስዋእቲ ምሕራር ኣዕርጉ። እዮብ ባርያይ ክጽልየልኩም እዩ፡ ንእኡ ክቕበሎ እየ። ከም እዮብ ባርያይ ጌርኩም ብዛዕባይ ቅንዕና ስለ ዘይተዛረብኩም፡ ምእንታኡ ኢለ ኸምቲ ንዕሽነትኩም ዝግባእ ኣይክገብርን እየ። 9ሽዑ ኤሊፋዝ ቴማናዊ፡ ቢልዳድ ሹዋዊ፡ ሶፋር ናዕማዊ ኸይዶም ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞም ገበሩ። እግዚኣብሄር ከኣ ንእዮብ ተቐበሎ።
     10እዮብ ምእንቲ ፈተውቱ ምስ ጸለየ፡ እግዚኣብሄር ንምርኮ እዮብ መለሶ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ንእዮብ ኣብ ልዕሊ እቲ ቐደም ዝነበሮ ዕጽፊ ገይሩ ወሰኾ። 11ኲሎም ኣሕዋቱን ኲላተን ኣሓቱን ብዘለው እቶም ቀደም ዝፈልጥዎ ዝነበሩ ድማ ናብኡ መጺኦም፡ ኣብ ቤቱ ምስኡ እንጌራ በልዑ፡ ስለቲ እግዚኣብሄር ዘውረደሉ ዂሉ መከራታት ከኣ ሓዘኑሉን ኣጸናንዕዎን። ነፍሲ ወከፎም ድማ ሓሓንቲ ብሩርን ቀቀለቤት ወርቅን ሃብዎ። 12እግዚኣብሄር ድማ ንእዮብ ካብቲ ቐዳማዩስ ነቲ ዳሕራዩ ኣብሊጹ ባረኸሉ። ንሱ ዓሰርተው ኣርባዕተ ሽሕ በጊዕ፡ ሹድሽተ ሽሕ ገመል፡ ሽሕ ጽምዲ ብዕራይ፡ ሽሕ ከኣ ኣንስተይቲ ኣድጊ ነበሮ። 13ሾብዓተ ኣወዳትን ሰለስተ ኣዋልድን ከኣ ነበርዎ። 14ነታ ቐዳመይቲ ይሚማ፡ ነታ ኻልኣይቲ ቅጺዓ፡ ነታ ሳልሰይቲ ቄርንሃጱኽ ኢሉ ሰመየን። 15ኣብ ኲላ እታ ሃገር እቲኣ ኸም ኣዋልድ እዮብ ዝበላ መልክዐኛታት ኣይነበራን። ኣቦአን ድማ ርስቲ ምስቶም ኣሕዋተን ኣውረሰን። 16ድሕሪዚ ድማ እዮብ ሚእትን ኣርብዓን ዓመት ጸንሐ፡ ደቁን ደቂ ደቁን ከኣ ክሳዕ ኣርባዕተ ወለዶ ረኣየ። 17ድሕሪዚ እዮብ ሸምጊሉ ዕድመ ጸጊቡ ሞተ። ።

Leave a Reply

መጽሓፍ ቅዱስ ትግርኛ
ብሉይን ሓድሽን ኪዳን
ብሉይ ኪዳን
ሓድሽ ኪዳን
መጽሓፍ ቅዱስ ትግርኛ
ብሉይን ሓድሽን ኪዳን

ብሉይ ኪዳን

ሓድሽ ኪዳን