ትንቢት ዳንኤል
ትን. ዳንኤል ምዕራፍ 1
1ንመንግስቲ ዮኣቂም ንጉስ ይሁዳ ኣብታ ሳልሰይቲ ዓመቱ፡ ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ናብ የሩሳሌም መጸ ከበባውን።2እግዚኣብሄር ድማ ንዮኣቂም ንጉስ ይሁዳን ካብ ኣቓሑ ቤት ኣምላኽ ከኣ ሓደ ክፍልን ኣብ ኢዱ ሃቦ። ናብ ሃገር ሲንኣር ናብ ቤት ኣምላኹ ወሰዶም፡ ነቲ ኣቓሑውን ኣብ ቤት መዝገብ ኣምላኹ ኣእተዎ። 3እቲ ንጉስ ከኣ ንኣሽፈናዝ፡ ሓለቓ እቶም ስሉባቱ፡ ካብ ደቂ እስራኤል፡ ካብ ዓሌት ንጉስን ካብ ወለዶ ጭዋታትን መንእሰያት ከምጽእ ነገሮ።4እዚኣቶም ከኣ ጕድለት ዘይብሎም መልክዐኛታት ብዅሉ ጥበብ ኣስተውዓልትን ምሁራትን ኣእምሮኛታትን ኣብ ኣደራሽ ንጉስ ምቛም ዝኽእሉን ክዀኑ፡ ናይ ከለዳውያን መጻሕፍትን ቋንቋን ከኣ ክምህርዎም፡ ኢሉ ነገሮ።5እቲ ንጉስ ድማ ካብቲ ብልዒ ንጉስን ካብቲ ንሱ ዝሰትዮ ወይንን ጸጽባሕ ድርጎ ሰርዓሎም። ሰለስተ ዓመት ክምገቡ፡ ድሕሪዚውን ኣብ ቅድሚ ንጉስ ክቘሙ፡ ኢሉ ኣዘዘ። 6ኣብ ማእከል እዚኣቶም ድማ ካብ ደቂ ይሁዳ፡ ዳንኤልን ሃናንያን ሚሻኤልን ኣዛርያን ነበሩ።7እቲ ሓለቓ ስሉባት ከኣ ስማት ኣውጽኣሎም፡ ንዳንኤል ቤልሻጽር፡ ንሃናንያ ሲድራቅ፡ ንሚሻኤል ሚሳቅ፡ ንኣዛርያ ድማ ዓብድኔጎ ኢሉ ሰመዮም። 8ዳንኤል ግና፡ በቲ ብልዒ ንጉስን በቲ ዝሰትዮ ወይንን ከይረክስ፡ ብልቡ ሓለነ፡ ብግዲ ከይረክስ ድማ ነቲ ሓለቓ ስሉባት ለመኖ።9ኣምላኽ ከኣ ንዳንኤል ኣብ ቅድሚ እቲ ሓለቓ ስሉባት ሞገስን ምሕረትን ሃቦ።10እቲ ሓለቓ ስሉባት ከኣ ንዳንኤል፡ ኣነ ነቲ መብልዕኩምን መስቴኹምን ዘዳረገኩም ጐይታይ ንጉስ እፈርሆ ኣሎኹ። ንገጽኩምሲ ካብ ናይቶም መሳቱኹም መንእሰያት ዓቢሩ እንተ ረኸቦ፡ ሽዑ ንርእሰይ ብንጉስ ከይተቕጽዕዋ እፈርህ ኣሎኹ፡ በሎ። 11ሽዑ ዳንኤል ነቲ፡ እቲ ሓለቓ ስሉባት ኣብ ልዕሊ ዳንኤልን ሃናንያን ሚሻኤልን ኣዛርያን ዝሸሞ መጋቢ፡12ጥረ እንበልዖ ማይ ከኣ እንሰትዮ ሂብካ፡ ዓሰርተ መዓልቲ እሞ ንባሮትካ ተዓዘበና።13ደሓር ገጽናን ገጽ እቶም ብልዒ ንጉስ ዝበልዑን ኣብ ቅድሜኻ ይርአ፡ ሽዑ ንባሮትካ ከምቲ ዝርኤኻዮ ግበረና፡ በሎ።14ንሱ ድማ ነዚ ነገርዚ ሕራይ ኢሉ፡ ዓሰርተ መዓልቲ ተዓዘቦም።15እተን ዓሰርተ መዓልቲ ምስ ተወድኣ ከኣ፡ ካብ ኵሎም እቶም መብልዕ ንጉስ ዝበልዑ መንእሰያት ዝበለጸ፡ በሪሁን ሃጢሮምን ተራእዩ።16ሽዑ እቲ መጋቢ ነቲ ድርጎኦም ብልዕን ዝሰትይዎ ወይንን ኣትሪፉ፡ ጥረ ሃቦም። 17ኣምላኽ ከኣ ነዞም ኣርባዕተ መንእሰያት እዚኦም ፍልጠት፡ ብዅሉ መጻሕፍትን ጥበብን ከኣ ምስትውዓል ሃቦም። ዳንኤል ድማ ኩሉ ራእያትን ሕልምታትን የስተውዕል ነበረ።18እታ፡ እቲ ንጉስ ክኣትዉላ ኢሉ ዝመደባ መዓልቲ ምስ በጽሐት፡ እቲ ሓለቓ ስሉባት ኣብ ቅድሚ ነቡካድነጻር ኣኣተዎም።19እቲ ንጉስ ከኣ ተዛረቦም፡ ካብ ኵላቶም ድማ ከም ዳንኤልን ሃናንያን ሚሻኤልን ኣዛርያን ዝበለ ኣይተረኽበን። ንሳቶምውን ኣብ ቅድሚ ንጉስ ቈሙ።20ብዛዕባ እቲ ንጉስ ዝጠየቖም ናይ ጥበብን ምስትውዓልን ኩሉ ነገር፡ ካብቶም ኣብ ግዝኣቱ ጠቢባንን ፈለጥትን ዓሰርተ ኢድ በሊጾም ረኸቦም።21ዳንኤል ድማ ክሳዕ እታ ቐዳመይቲ ዓመት ንጉስ ቂሮስ ጸንሐ።
ትን. ዳንኤል ምዕራፍ 2
1ነቡካድነጻር ኣብታ ካልኣይቲ ዓመት መንግስቱ ሕልሚ ሓለመ፡ መንፈሱ ከኣ ተሃወኸ፡ ድቃሱ ከኣ ካብኡ በረረ።2ሽዑ እቲ ንጉስ ንፈለጥትን ጠቢባንን ጠንቈልትን ከለዳውያንን፡ ንንጉስ ሕልሙ ክነግርዎ ኢሉ፡ ክጽውዕዎም ኣዘዘ። ንሳቶም ከኣ መጹ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ንጉስውን ቈሙ።3እቲ ንጉስ ድማ፡ ሕልሚ ሓሊመስ ነቲ ሕልሚ ክፈልጥ መንፈሰይ ተሃዊኹ ኣሎ፡ በሎም።4ሽዑ እቶም ከለዳውያን ንንጉስ ብእራማይስጢ፡ ዎ ንጉስ ንዘለኣለም ህያው ኩን፡ ንባሮትካ ሕልምኻ ንገረና፡ ንሕናውን ትርጉሙ ክንነግረካ ኢና፡ በልዎ።5-6እቲ ንጉስ ከኣ ነቶም ከለዳውያን፡ እቲ ነገር ረሲዐዮ እየ። ነቲ ሕልምን ትርጉሙን እንተ ዘየፍለጥኩምኒ፡ ንስኻትኩም ክትስየፉ፡ ኣባይትኹም ድማ ምድርባይ ጐሓፍ ክኸውን እዩ። ነቲ ሕልምን ትርጉሙን እንተ ነገርኩምኒ ግና፡ ህያብን ውህበትን ዓብዪ ክብረትን ክህበኩም እየ፡ እምብኣርስኸ ነቲ ሕልምን ትርጉሙን ንገሩኒ፡ ኢሉ መለሰሎም።7ንሳቶም ድማ ካልእይ ግዜ፡ እቲ ንጉስ ንባሮቱ ሕልሙ ይንገረና፡ ንሕናውን ትርጉሙ ክንነግር ኢና፡ ኢሎም መለሱሉ።8እቲ ንጉስ ከኣ፡ እቲ ነገር ከም ዝረሳዕክዎ ስለ ዝርኤኹም፡ግዜ ክትረኽቡ ትደልዩ ከም ዘሎኹም፡ ብርግጽ እፈልጥ ኣሎኹ።9ነቲ ሕልሚ እንተ ዘየፍለጥኩምኒ ግና፡ ፍርድኹም ሓንቲ እያ። ንስኻትኩም ግዜ ክሳዕ ዝሓልፍ፡ ኣብ ቅድመይ ቃላት ሓሶትን ምትላልን ክትዛረቡ ተሳማሚዕኩም ኣሎኹም፡ እምብኣርስኸ ነቲ ሕልሚ ንገሩኒ፡ ኣነ ከኣ ትርጉሙ ከም እትነግሩኒ እፈልጥ እየ፡ ኢሉ መለሰሎም። 10-11እቶም ከለዳውያን ከኣ ኣብ ቅድሚ ንጉስ፡ ንጉስሲ፡ ምንም እኳ ዓብይን ብርቱዕን እንተ ዀነ፡ ንፈላጥን ጠቢብን ከለዳውን ከምዚ ነገር ዝጠየቐ የልቦን እሞ፡ ነቲ ነገር ንጉስ ዝፈልጥ ሰብ ኣብ ምድሪ ከቶ ኣይርከብን እዩ። እቲ ንጉስ ዝደልዮ ነገር ዘሸግር እዩ እሞ ኣማልኽቲ እንተ ዘይኰይኖም፡ ነዚ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ከፍልጦ ዝኽእል የልቦን፡ ማሕደሮም ድማ ምስ ስጋ ዝለበሱ ኣይኰነን፡ ኢሎም መለሱ። 12ስለዚ እቲ ንጉስ ኰረየ፡ ኣዝዩ ተናደደ፡ ንዘለዉ ጠቢባን ባቢሎን ከኣ ከጥፍእዎም ኣዘዘ።13እቲ ፍርዲ ድማ ወጸ፡ ነቶም ጠቢባን ከኣ ክቐትልዎም ጀመሩ፡ ንዳንኤልን ንመሓዙቱንውን ክቐትልዎም ኢሎም ይደልይዎም ነበሩ።14ሽዑ ዳንኤል ንኣርዮክ፡ ነቲ ንጠቢባን ባቢሎን ክቐትሎም ዝወጸ ሓለቓ ዘብዓኛታት ንጉስ፡ ብምኽርን በእምሮን መለሰሉ።15ንሱ ንኣርዮክ፡ ናይ ንጉስ መኰነን፡ እዚ ብርቱዕ ፍርዲ ካብ ንጉስ ስለምንታይ ወጸ፡ ኢሉ መለሰሉ። ኣርዮክ ድማ እቲ ነገር ንዳንኤል ኣፍለጦ።16ዳንኤል ከኣ ናብ ንጉስ ኣትዩስ፡ እቲ ትርጉሙ ከፍልጦስ ግዜ ክህቦ፡ ንንጉስ ለመኖ። 17-18ድሕርዚ ዳንኤል ናብ ገዝኡ ከደ እሞ፡ ዳንኤልን መሓዙቱን ምስቶም ዝተረፉ ጠቢባን ባቢሎን ከይጠፍኡ፡ ብዛዕባ እዚ ምስጢር እዚ ካብ ኣምላኽ ሰማይ ምሕረት ክልምኑስ ንሃናንያን ንሚሻኤልን ንኣዛርያን መሓዙቱ፡ እቲ ነገር ኣፍለጦም።19ሽዑ እቲ ምስጢር ንዳንኤል ብራእይ ለይቲ ተገልጸሉ። ዳንኤል ከኣ ንኣምላኽ ሰማይ ኣመስገኖ።20ዳንኤል ድማ ከምዚ ኢሉ ተዛረበ፡ ጥበብን ስልጣንን ናቱ እዩ እሞ፡ ስም ኣምላኽ ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ይባረኽ።21ንሱ ዘመናትን ወርሓትን ይለዋውጥ፡ ነገስታት ይስዕር ነገስታት ከኣ ይሸይም፡ ነቶም ጠቢባን ጥበብ ነቶም ኣስተውዓልቲ ከኣ ምስትውዓል ይህቦም።22ንሱ ዓሚቝ ሕቡእን ይገልጽ እቲ ኣብ ጸልማት ዘሎ ይፈልጥ፡ ብርሃንውን ምስኡ እዩ ዝነብር።23ዎ ኣምላኽ ኣቦታተይ፡ ነቲ ነገር ንጉስ ኣፍሊጥካና ኢኻ እሞ፡ ጥበብን ሓይልን ስለ ዝሃብካኒ፡ ሕጂውን እቲ ዝለመንናካ ስለ ዝገለጽካለይ፡ አመስግነካን እውድሰካን ኣሎኹ። 24ስለዚ ዳንኤል ናብቲ እቲ ንጉስ ነቶም ጠቢባን ባቢሎን ከጥፍኦም ዝኣዘዞ ኣርዮክ ከደ፡ ኣትዩ ከኣ፡ ነቶም ጠቢባን ባቢሎን ኣይተጥፍኣዮም፡ ናብ ቅድሚ ንጉስ ውሰደኒ፡ ኣነውን ንንጉስ እቲ ትርጉም ከፍልጦ እየ፡ ኢለ ነገሮ።25ሽዑ ኣርዮክ ንዳንኤል ቀልጢፉ ናብ ንጉስ ኣእተዎ እሞ፡ እነኹ ካብቶም ደቂ ምሩኻት ይሁዳ ንንጉስ ትርጉም ዘፍልጥ ሰብኣይ ረኺበ ኣሎኹ፡ በሎ።26እቲ ንጉስ ከኣ ነቲ ቤልጥሻጽር እተሰምየ ዳንኤል፡ ነቲ ዝርአኽዎ ሕልምን ትርጉምን ከተፍልጠኒዶ ትኽእል ኢኻ፡ ኢሉ መለሰሉ።27ዳንኤል ከኣ ኣብ ቅድሚ ንጉስ፡ ነዛ ንጉስ ዝሓተላ ዘሎ ምስጢርስ እቶም ጠቢባንን ጠንቈልትን ከለዳውያንን ፈለጥትን ንንጉስ ክነግርዎ ኣይክእሉን እዮም፡ ኢሉ መለሰ።28ግናኸ ኣብ ሰማይ ዘሎ ሓደ ኣምላኽ እዩ ምስጢራት ዝገልጽ፡ ንሱ ኸኣ ንንጉስ ነቡካድነጻር በቲ ዳሕራይ ዘመንሲ እንታይ ከም ዝኸውን ኣፍለጦ። እቲ ኣብ ምድቃስካ ዝርአኻዪ ሕልምኻን ራእያት ርእስኻን እዚ እዩ፡29ዎ ንጉስ፡ ብዛዕባ እቲ ብድሕርዚ ዝኽውን፡ ኣብ ምድቃስካ ከሎኻ፡ ሓሳባት ተንስኣካ። እቲ ምስጢራት ዝገልጽ ከኣ ነቲ ዝኽውን ኣፍለጠካ።30ንኣይ እዚ ምስጢር እተገልጸለይሲ ፡እቲ ትርጓሜኡ ንንጉስ ምእንቲ ክንገር እሞ፡እቲ ሓሳባት ልብኻ ኽትፈልጦ እዩ እምበር፡ ካብ ኵላቶም ኣብዛ ዓለም ዘለዉ ብጥበብ ስለ ዝበለጽኩ ኣይኰነን። 31ዎ ንጉስ፡ እንሆ፡ ንስኻ ዓብዪ ምስሊ ርኤኻ። እዚ ገዚፍን ምንጽብራቑ ከኣ ዘገርምን ዝነበረ ምስሊ ኣብ ቅድሜኻ ቖመ፡ ትርኢትውን ዘፍርህ ነበረ።32እዚ ምስሊ እዚ፡ ርእሱ ብሉጽ ወርቂ፡ ደረቱን ቀላጽሙን ብሩር፡ ከብዱን ሕቝኡን ከኣ ኣስራዚ ነበረ፡33መሓውሩ ሓጺን፡ ኣእጋሩ ከኣ ገሊኡ ሓጺን፡ ገሊኡ መሬት ነበረ።34ንስኻ ትጥምት ነበርካ፡ እንሆ ከኣ፡ ኢድ ከይተንከዮ እምኒ ተፈንቂሉ፡ ነቲ ሓጺንን መሬትን ዝዀነ ኣእጋር እቲ ምስሊ ወቖዖን ዳዕመኾን።35ሽዑ እቲ ሓጺንን መሬት ኣስራዝን ብሩርን ወርቅን ብሓደ ተዳዕሞኸ፡ ከም ብቝቡቝ ዓውዲ ቐውዒ ዀነ፡ ኣሰሩ ክሳዕ ዝጠፍእ ከኣ ንፋስ ወሰዶ ነቲ ምስሊ ዝወቕዖ እምኒ ግና ዓብዪ ከረን ኮነ፡ ንብዘላ ምድሪውን መልኣ።36እቲ ሕልሚ እዚ እዩ፡ ትርጓሜኡ ከኣ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ክንነግሮ ኢና። 37ዎ ንጉስ፡ እቲ ኣምላኽ ሰማይ ንኣኻ መንግስትን ስልጣንን ሓይልን ክብርን ዝሃበካ ንጉስ ነገስታት ንስኻ ኢኻ።38ደቂ ሰብን እንስሳ መሮርን ኣዕዋፍ ሰማይን ዝነብሩሉ ዘበለ ከኣ ኣብ ኢድካ ሃበካ፡ ኣብ ልዕሊ ኩላቶም ድማ ኣግዝኣካ፡ እቲ ርእሲ ወርቂ ንስኻ ኢኻ።39ብድሕሬኻ ድማ ካባኻ እትንእስ ካልእ መንግስቲ ኽትትንስእ፡ ኣብ ልዕሊ ኹላ ምድሪ እትገዝእ ካልእ ሳልሳይቲ መንግስቲ ኣስራዚውን ኽትትንስእ እያ።40እታ ራብዓይቲ መንግስቲ ከም ሓጺን ብርትዕቲ ክትከውን፡ ከምቲ ሓጺን ንዅሉ ነገር ዝጭፍልቕን ዝሰባብርን፡ ከምኡ ኸኣ ከም ዝቕጥቅጥ ሓጺን ኰይና፡ ነዚ ዅሉ ኽትጭፍልቕን ክትቅጥቅጥን እያ።41እቲ ኣእጋርን ኣጻብዕን ገሊኡ መሬት፡ ገሊኡ ሓጺን ዝርኤኻዮ፡ ከምኡ እተፈላለየት መንግስቲ ክትከውን እያ። ግናኸ፡ ከምቲ ሓጺን ምስ ልምሉም መሬት ተሓዊሱ ዝርኤኻዮ፡ ካብ ጽንዓት ሓጺን ገለ ክህልዎ እዩ።42ከምቲ ኣጻብዕ ኣእጋር ገሊኡ ሓጺን፡ ገሊኡ ከኣ መሬት ዝነበረ፡ ከምኡውን እታ መንግስቲ ገሊኣ ብርትዕቲ፡ ገሊኣ ከኣ ተሰባሪት ክትከውን እያ።43እቲ ሓጺን ምስ ልምሉም መሬት ተሓዊሱ ዝርኤኻዮ፡ ንሳቶም ምስ ዘርኢ ሰብ ክተሓዋወሱ፡ ግናኸ፡ ከምቲ ሓጺን ምስ መሬት ዘይላገብ፡ ንሓድሕዶም ኣይክላገቡን እዮም።44ብዘመን እዞም ነገስታት እዚኣቶም ኣምላኽ ሰማይ ንዘለኣለም ከቶ ዘይትጠፍእን፡ ግዝኣታ ንኻልእ ህዝቢ ዘይውሃብን መንግቲ ከተንስእ እዩ። ንዅለን እዘን መንግስትታት እዚኣተን ክትጭፍልቐንን ከተጥፍአንን እያ፡ ንሳ ግና ንዘለኣለም ክትቀውም እያ።45ከምቲ እምኒ፡ ኢድ ከይተንከዮ፡ ካብ ከረን ተፈንቂሉ ንሓጺንን ኣስራዝን መሬትን ብሩርን ወርቅን ክድዕምኾ ከሎ ዝርኤኻዮ፡ እቲ ዓብዪ ኣምላኽ ንንጉስ ነቲ ድሕርዚ ዝኸውን ኣፍለጦ። እቲ ሕልሚ ርግጽ፡ ትርጓሜኡ ከኣ እሙን እዩ። 46ሽዑ ንጉስ ነቡካድነጻር ብግምባሩ ተደፊኡ ንዳንኤል ሰገደሉ። መስዋእቲ ብልዕን ዕጣንን ከቕርቡሉ ድማ ኣዘዘ።47እቲ ንጉስ ንዳንኤል፡ ንስኻ ነዛ ምስጢር እዚኣ ክትገልጻ ካብ ከኣልካስ፡ እቲ ኣምላኽኩም ብሓቂ ኣምላኽ ኣማልኽትን ጐይታ ነገስታትን ገላጺ ምስጢራትን እዩ፡ ኢሉ መለሰሉ።48ሽዑ እቲ ንጉስ ንዳንኤል ልዕል ኣበሎ፡ ብዙሕን ዓብይን ውህበት ሃቦ፡ ኣብ ልዕሊ ኩላ ኣውራጃ ባቢሎን ኣግዝኦ፡ ኣብ ልዕሊ ኩሎም ጠቢባን ባቢሎን ከኣ ሓለቓ ገበሮ።49ዳንኤል ንንጉስ ለሚኑ፡ ንሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን ኣብ ልዕሊ ተግባር ኣውራጃ ባቢሎን ሾሞም። ዳንኤል ግና ኣብ ደገ ንጉስ ነበረ።
ትን. ዳንኤል ምዕራፍ 3
1ንጉስ ነቡካድነጻር ድማ ስሳ እመት ዝቝመቱ፡ ሹድሽተ እመት ዝወርዱ ናይ ወርቂ ምስሊ ገበረ። ኣብ ጐልጐል ዱራ ኣብ ኣውራጃ ባቢሎን ኣቘሞ።2ንጉስ ነቡካድነጻር ከኣ ንመሳፍንትን ሹመኛታትን ራእስታትን ዳኛታትን መገብትን ኣማኸርትን ሓላቑን ኣብ ብሃገሩ እተሾሙ ምስለኔታትን፡ ነቲ ንጉስ ነቡካድነጻር ዘቘሞ ምስሊ ምእንቲ ክጽምብልዎ፡ ክእከቡ ለኣኸሎም።3ሽዑ እቶም መሳፍንትን ሹመኛታትን ራእስታትን ዳኛታትን መገብትን ኣማኸርትን ሓላቑን ኣብ ብሃገሩ እተሾሙ ምስለኔታትን ነቲ ንጉስ ነቡካድነጻር ዘቘሞ ምስሊ ክጽምብልዎስ ተኣከቡ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ነቡካድነጻር ዘቘሞ ምስሊ ከኣ ቆሙ።4-6እቲ ኣዋጅ ነጋሪ ዓው ኢሉ፡ ኣቱም ህዝብታትን ወገናትን ቋንቋታትን፡ ደሃይ መለኸት እምብልታን መሰንቆን በገናን ጭራ ዋጣን ነጋሪት ብዘሎ መሳርያ ሙዚክን ምስ ሰማዕኩም፡ ነቲ ንጉስ ነቡካድነጻር ዘቘሞ ምስሊ ወርቂ ፍግም ኢልኩም ክትሰግድሉ፡ ተኣዚዝኩም ኣሎኹም። ፍግም ዘይበለ ዘይሰገደን ግና ብኡብኡ ኣብ ጕሁር እቶን ሓዊ ክድርበ እዩ፡ ኢሉ ኣወጀ።7ስለዚ ኹሎም ኣህዛብ ነቲ ጭራ ዋጣን ብዘሎ መሳርያ ሙዚክን ምስ ሰምዑ፡ ብኡብኡ ኹሎም እቶም ኣህዛብ ወገናትን ቋንቋታትን ነቲ ንጉስ ነቡካድነጻር ዘቘሞ ምስሊ ወርቂ ግፍም ኢሎም ሰገድሉ። 8በቲ ግዜ እቲ ከለዳውያን ሰባት ቀረቡ እሞ ነቶም ኣይሁድ ከሰስዎም።9ንሳቶም ከኣ ንንጉስ ነቡካድነጻር መለሱሉ በልዎውን፡ ዎ ንጉስ፡ ንዘለኣለም ህያው ኩን።10-11ዎ ንጉስ፡ ንስኻ ነፍሲ ወከፍ ንደሃይ መለኸትን እምብልታን መሰንቆን በገናን ጭራ ዋጣን ነጋሪትን ብዘሎ መሳርያ ሙዚክን ክሰምዕ ከሎ፡ ፍግም ኢሉ ነቲ ምስሊ ወርቂ ክሰግደሉ፡ ነፍሲ ወከፍ ፍግም ዘይብልን ዘይሰግድን ድማ፡ ኣብቲ ጕሁር እቶን ሓዊ ክድርበ፡ ኢልካ ኣዘዝካ።12እምብኣርሲ ዎ ንጉስ፡ ኣብ ልዕሊ ተግባር ኣውራጃ ባቢሎን ዝሾምካዮም ኣይሁድ ሰባት፡ ሲድራቅን ሚሳቅን፡ ዓብዱ-ኔጎን፡ ኣለዉ፡ ንሳቶም ግድኻ የብሎምን፡ ንኣማልኽትኻ ኣየምልኹን፡ ነቲ ዘቘምካዮ ምስሊ ወርቂውን ኣይሰግዱሉን እዮም፡ በልዎ። 13ሽዑ ነቡካድነጻር ኰርዩን ነዲሩን ንሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን ከምጽእዎም ኣዘዘ። ሽዑ ነዞም ሰባት እዚኦም ኣብ ቅድሚ ንጉስ ኣምጽእዎም።14ነቡካድነጻር መለሰ በሎምውን፡ ኣቱም ሲድራቅ፡ሚሳቅ፡ዓብድኔጎ፡ እቲ ንኣማልኽተይ ዘይምምላኽኩም፡ ነቲ ዘቘምክዎ ምስሊ ወርቂውን ዘይምስጋድኩምሲ ንዕቀት ድዩ፡15ሕጂ ድማ ነቲ ደሃይ መለኸት እምንብልታን መሰንቆን በገናን ጭራ ዋጣን ነጋሪት ብዘሎ መሳርያ ሙዚክን ክትሰምዑ ከሎኹም፡ ፍግም ክትብሉን ነቲ ዝገበርክዎ ምስሊ ክትሰግዱሉን ተዳለው። እንተ ዘይሰገድኩምሉ ግና፡ ብኡብኡ ናብቲ ጕሁር እቶን ሓዊ ክትድርበዩ ኢኹም። እቲ ካብ ኢደይ ዘናግፈኩም ኣምላኽከ መን እዩ፡ በሎም።16ሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን ነቲ ንጉስ ከምዚ ኢሎም መለስሉ፡ ዎ ነቡክድነጻር፡ በዚ ነገርዚ ምላሽ ክንህበካ ኣይድልየናን።17ዎ ንጉስ፡ እቲ እነምልኾ ኣምላኽ ካብቲ ጕሁር ሓዊ ከናግፈና ይኽእል እዩ፡ ካብ ኢድካውን ከናግፈና እዩ።18ዎ ንጉስ፡ ንሱ ከናግፈና እንተ ዘይፈተወ፡ ንሕናስ ንኣማልኽትኻ ከም ዘይነምልኾም፡ ነቲ ዘቘምካዮ ምስሊ ወርቂውን ከም ዘይንሰግደሉ ፍለጥ፡ በልዎ። 19ሽዑ ነቡካድነጻር ብሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን እምብዛ ተናደደ፡ ትርኢት ገጹውን ተለወጠ። ነቲ እቶን ካብቲ ዝነበሮ ሾብዓተው ኢድ ዝበለጸ ከንድድዎ ኣዘዘ።20ንሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን ክኣስርዎም እሞ ናብቲ ጕሁር እቶን ሓዊ ክድርብይዎም፡ ካብቲ ሰራዊቱ ሓያላት ሰባት ኣዘዘ።21ሽዑ እዞም ሰባት እዚኣቶም ብቐምሾምን ባርኖሶምን መጓናጸፍያኦምን ብዅሉ ክዳውንቶምን ተኣስሩ፡ ናብቲ ጕሁር እቶን ሓዊ ከኣ ተደርበዩ።22እቲ ትእዛዝ ንጉስ እምብዛ ስለ ዝገንሐ፡ እቲ እቶን ድማ ኣዝዩ ስለ ዝረሰነ፡ እቲ ሃልሃልታ ሓዊ ነቶም ንሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን ዝደርበይዎም ሰባት ቀተሎም።23እዞም ሰለሰተ ሰባት እዚኦም፡ ንሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን፡ ብእሱራቶም ናብቲ ጕሁር እቶን ሓዊ ወደቑ።24ሽዑ እቲ ንጉስ ነቡካድነጻር ሰምበደ፡ ተቐላጢፉውን ተንስአ፡ ነማኸርቱ ድማ፡ እቶም ኣሲርና ናብ ሓዊ ዝደርበናዮምሲ ሰለስተ ሰባትዶ ኣይኰኑን፡ ኢሉ በሎም። ንሳቶም ከኣ ንንጉስ፡ ርግጽ እዩ፡ ዎ ንጉስ፡ ኢሎም መለስሉ።25ንሱ ከኣ፡ እንሆ፡ ኣነ ኣርባዕተ ፍቱሓት ሰባት፡ ገለ እኳ ኸይተጎድኡ፡ ኣብ ማእከል ሓዊ ክመላለሱ እርኢ ኣሎኹ፡ ትርኢት እቲ ራብዓይ ድማ ወዲ ኣምላኽ ይመስል፡ ኢሉውን መለሰ።26ድሕርዚ ነቡካድነጻር ናብ ኣፍ እቲ ጕሁር እቶን ሓዊ ቀረበ እሞ፡ ንሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎ፡ ኣቱም ባሮት ኣምላኽ፡ ውጹ፡ ናብዚ ንዑ፡ ኢሉ ተዛረበ።ሽዑ ሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን ካብቲ ሓዊ ወጹ።27እቶም መሳፍንትን ሹመኛታትን ራእስታትን ኣማኸርቲ ንጉስን ተኣኪቦም፡ ነቶም ሰባት እቲ ሓዊ ኣብ ስጋኦም ገለ ሓይሊ ከም ዘይነበሮን ረኣዩ። ጸጕሪ ርእሶም ኣይቃረየን፡ ክዳውንቶም ኣይተለወጠን፡ አረ ጨና ሓዊ እኳ ኣይሓለፎምን። 28ነቡካድነጻር ከኣ፡ እቲ ነቶም ባሮቱ መልኣኹ ሰዲዱ ዘናገፎም ኣምላኽ ሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን ይባረኽ። ንሳቶም ኣብኡ ተወኪሎም ትእዛዝ ንጉስ ኣበዩ፡ ብዘይ ንኣምላኾም ንኻልኦት ኣማልኽቲ ከየምልኹን ከይሰግዱንሲ ስጋኦም ወፈዩ፡ ኢሉ መለሰ።29ከምኡ ገይሩ ከናግፍ ዝኽእል ካልእ ኣምላኽ የልቦን እሞ፡ ስለዚ ኣነ፡ ዝዀነ ይኹን ካብ ብዘለዉ ኣህዛብን ወገናትን ቋንቋታትን ንኣምላኽ ሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን ሕሱም ቃል ዘውስእ፡ ንሱ ኽስየፍ፡ ቤቱ ከኣ ምድርባይ ጐሓፍ ክኸውን፡ እእዝዝ ኣሎኹ፡ ኢሉ መለሰ።30ድሕርዚ እቲ ንጉስ ንሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን ኣብ ኣውራጃ ባቢሎን ሾሞም።
ትን. ዳንኤል ምዕራፍ 4
1ካብ ንጉስ ነቡካድነጻር ናብ ብዘላ ምድሪ ዘሎኹም ኵሉኹም ኣህዛብን ወገናትን ቋንቋታትን፡ ሰላም ይብዛሕኩም።2እቲ ልዑል ኣምላኽ ዝገበረለይ ትእምርትን ተኣምራትን ክነግር ጽቡቕ ኰይኑ ተራእዩኒ ኣሎ።3ትእምርትታቱ ከመይ ዝበለ ዓብዪ፡ ተኣምራቱ ድማ ከመይ ዝበለ ብርቱዕ እዩ። መንግስቱ ዘለኣለማዊት መንግስቲ እያ፡ ግዝኣቱ ከኣ ንውሉድ ወለዶ ይነብር።
4ኣነ ነቡካድነጻር፡ ኣብ ቤተይ ዓሪፈ፡ ኣብ ኣዳራሸይ ድማ ባህ ኢሉኒ ነበርኩ።5ዘሰምብደኒ ሕልሚ ርኤኹ፡ ኣብ መደቀስየይ፡ ከሎኹ፡ ሓሳባትን ራእያት ርእሰይን ኣጨነቐኒ።6ስለዚ ንዅላቶም ጠቢባን ባቢሎን፡ ትርጓሜ እቲ ሕልሚ ከፍልጠኒ፡ ኣብ ቅድመይ ከምጽእዎም፡ ኣዘዝኩ።7ሽዑ እቶም ጠቢባንን ኣስማተኛታትን ከለዳውያንን ፈለጥትን መጹ፡ ነቲ ሕልሚ ከኣ ኣብ ቅድሚኦም ተዛረብኩ፡ ንሳቶም ግና ትርጓሜኡ ኣየፍለጡንን።8ኣብ መወዳእታ ግና እቲ ብስም ኣምላኸይ ቤልጥሻጽር እተሰምየ፡ መንፈስ ቅዱሳን ኣማልኽቲ ዘለዎ ዳንኤል ኣብ ቅድመይ ኣተወ፡ ነቲ ሕልሚውን ኣብ ቅድሚኡ ከምዚ ኢለ ተዛረብኩ።9ኣታ ቤልጥሻጽር ሊቀ ጥቢባን፡ መንፈስ ቅዱሳን ኣማልኽቲ ከም ዘሎካን ዘሸግረካ ምስጢር ከኣ ከም ዘይብልካን እፈልጥ እየ እሞ፡ እቲ ዝርአኽዎ ራእይ ሕልመይን ትርጓሜኡን ንገረኒ።10እቲ ኣብ ምድቃሰይ ከሎኹ ዝርአኹዎ ራእይ ርእሰይ ከምዚ እዩ፡ እንሆ፡ ኦም ኣብ ማእከል ምድሪ ርኤኹ፡ ቍመታ ከኣ ነዋሕ እያ።11እታ ኦም ዓብያን በርቲዓን፡ ቍመታ ክሳዕ ሰማይ በጺሑ፡ ክሳዕ ወሰናት ምድሪ ትርአነበረት።12ቈጽላ ጽቡቕ ነበረ፡ እቲ ፍሬኣ ብዙሕ፡ ንኹሉ ከኣ ምግቢ ነበራ። እንስሳ መሮር ኣብ ትሕቲኣ ኣጽሊለን፡ ኣዕዋፍ ሰማይ ኣብ ጨናፍራ ሰፊረን ነበራ፡ ስጋ ዝለበሰ ዅሉውን ካብኣ ይምገብ ነበረ።13እንሆ፡ በቲ ኣብ መደቀስየይ ከሎኹ፡ ናይ ርእሰይ ራእያትሲ ሓደ ቅዱስ ሓላዊ ካብ ሰማይ ክወርድ ከሎ ርኤኹ።14ንሱ ከኣ ዓው ኢሉ ጨደረ በለውን፡ ነዛ ኦም ቍረጽዋ፡ ጨናፍራ ጸልጽሉ፡ ቈጽላ ኣርግፉ፡ ፍሬኣ በትኑ፡ እተን እንስሳ ካብ ትሕቲኣ፡ እተን ኣዕዋፍውን ካብ ጨናፍራ ይህደማ።15ግናኸ ነቲ ጕንዲ ሱራታ፡ ብሰንሰለት ሓጺንን ኣስራዝን ተኣሲሩ፡ ኣብ ማእከል ልምሉም ሳዕሪ መሮር ኣብ ምድሪ ሕደግዎ። ብኣውሊ ሰማይ ይጠልቂ፡ ምስ እንስሳ ከኣ ግዲኡ ሳዕሪ ምድሪ ይኹን።16ልቡ ልቢ ሰብ ካብ ምዃን ይለወጥ፡ ልቢ እንስሳ ከኣ ይወሃቦ፡ ሾብዓተ ግዝያት ድማ ይሕለፎ።17እቶም ህያዋንሲ፡ እቲ ልዑል ኣብ መንግስቲ ሰብ ከም ዝመልኽ’ ንዝደለዮ ከኣ ከም ዝህቦ፡ አረ ነቲ ካብ ሰብ ዝንእስ ደኣ ልዕል ከም ዘብሎ ምእንቲ ክፈልጡ፡ እዚ ባህሊ እዚ እቶም ሓለውቲ ዝመደብዎ፡ እዚ ነገር እዚውን እቶም ቅዱሳን ዝኣዘዝዎ እዩ።18ነዚ ሕልሚ እዚ ኣነ ንጉስ ነቡካድነጻር ርኤኽዎ። ኣታ ቤልጥሻጽር፡ ኵላቶም ጠቢባን መንግስተይ ትርጓሜኡ ከፍልጡኒ ካብ ዘይክእሉ፡ ንስኻ ግና፡ እቲ መንፈስ ቅዱሳን ኣማልኽቲ ኣባኻ ስለ ዘሎ፡ ትኽእሎ ኢኻ እሞ፡ ትርጓሜኡ ንገረኒ።
19ሽዑ እቲ ቤልጥሻጽር ዝስሙ ዳንኤል ሓንሳእ ዝን በለ፡ ሓሳባቱ ከኣ ኣጨነቖ። እቲ ንጉስ ድማ፡ ኣታ ቤልጥሻጽር፡ እቲ ሕልምን ትርጓሜኡን ኣየጨንቕካ፡ ኢሉ መለሰሉ። ቤልጥሻጽር ከኣ ከምዚ ኢሉ መለሰሉ፡ ጐይታየ፡ እቲ ሕልሚ ንጸላእትኻ፡ ትርጓሜኡ ከኣ ንተጻረርትኻ ይኹን።20እታ ዝርኤካያ ኦም፡ እታ ዝዓበየትን ዝበርትዓትን፡ ቍመታ ኣብ ሰማይ ዝበጽሐ፡ ኣብ ኵሉ ምድሪውን እተራእየት፡21ቈጽላ ዝጸበቐ፡ ፍሬኣ ዝበዝሐ፡ ንዅሉ ዝኸውን ምግቢ ዘለዋ፡ እንስሳ መሮር ኣብ ትሕቲኣ ዝነብሩላ፡ ኣብ ጨናፍራውን ኣዕዋፍ ሰማይ ዝዓርፋላ ኦም፡22ዝዓበኻን ዝበርታዕካን፡ ዕቤትካ እናዓበየ ኽሳዕ ሰማይ፡ ግዝኣትካውን ክሳዕ ወሰን ምድሪ ዝበጽሐስ ንስኻ ኢኻ፡ ዎ ንጉስ።23እቲ ንጉስ ካብ ሰማይ ክወርድ ከሎ ዝረኣዮ ቅዱስ ሓላዊ እሞ፡ ነታ ኦም ቍረጽዋን ኣብርስዋን፡ ግናኸ ነቲ ጕንዲ ሱራታ፡ ብሰንሰለት ሓጺንን ኣስራዝን ተኣሲሩ፡ ኣብቲ ልምሉም ሳዕሪ መሮር ኣብ ምድሪ ሕደግዎ፡ ሾብዓተ ግዝያት ክሳዕ ዝሓልፋ፡ ብኣውሊ ሰማይ ይጠልቂ፡ ግዲኡውን ምስ እንስሳ መሮር ይኹን፡ ዝበለ፡24ትርጓሜኡ እዚ እዩ፡ ዎ ንጉስ፡ እዚ ከኣ እቲ ኣብ ልዕሊ ጐይታይ ንጉስ ዝወርድ ትእዛዝ እቲ ልዑል እዩ፡25ካብ ሰብ ክትስጎግ፡ ምስ እንስሳ መሮር ክትነብር ኢኻ፡ ከም ንኣብዑር ከኣ ሳዕሪ ከብልዑኻ እዮም፡ ብኣውሊ ሰማይ ድማ ክትጥልቂ ኢኻ፡ እቲ ልዑል ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ሰብ ከም ዝመልኽ፡ ንዝደለዮ ኸኣ ከም ዝህቦ፡ ክሳዕ እትፈልጥሲ፡ ሾብዓተ ግዝያትውን ክሓልፋኻ እየን።26እቲ ናይ ኦም ጕንዲ ሱራት ይጽናሕ እተባህለ ግና፡ ሰማይ ከምዝመልኽ ምስ ፈለጥካ፡ መንግስትኻ ክትምለሰካ እያ።27ስለዚ፡ ዎ ንጉስ፡ ምኽረይ ስማዕ፡ ንሓጢኣትካ ብጽድቂ፡ ንኣበሳኻውን ንድኻታት ብምምሓር ቍረጾ፡ ምናልባሽ ልምዓትካ ክነውሕ እዩ።
28እዚ ዅሉ ንንጉስ ነቡካድነጻር በጽሖ።29ድሕርዚ ዓሰርተው ክልተ ወርሒ ጸኒሑ፡ ኣብቲ ኣዳራሽ ንጉስ ባቢሎን ይዘውር ነበረ፡30እቲ ንጉስ ከኣ፡ እዚኣ እታ ንኽብሪ ግርማይን ንቤተ መንግስትን ክትከውን ኢለ ብሓይሊ ስልጣነይ ዝሃነጽክዋ ዓባይ ባቢሎንዶ ኣይኰነትን፡ ኢሉ ተዛረበ።31-32እዚ ቓል እዚ ገና ኣብ ኣፍ ንጉስ ከሎ፡ ዎ ንጉስ ነቡካድነጻር፡ ንኣኻስ፡ መንግስቲ ካባኻ ከይዳ እያ፡ ይበሃለካ ኣሎ፡ ካብ ሰብ ክትስጐግ፡ ምስ እንስሳ መሮር ክትነብር ኢኻ፡ ከም ንኣብዑር ከኣ ሳዕሪ ከብልዑኻ እዮም፡ እቲ ልዑል ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ሰብ ከም ዝመልኽ፡ ንዝደለዮ ከኣ ከም ዝህቦ ክሳዕ እትፈልጥሲ፡ ሾብዓተ ግዝያትውን ክሓልፋኻ እየን፡ ዝብል ድምጺ ካብ ሰማይ ወረደ።33ብኡብኡ እቲ ነገር ኣብ ነቡካድነጻር ተፈጸመ፡ ጸጕሩ ከም ናይ ንስሪ፡ ኣጽፋሩውን ከም ናይ ኣዕዋፍ ኰይኑ ክሳዕ ዝነውሕ፡ ካብ ሰብ ተሰጐ፡ ከም ብዕራይ ሳዕሪ በልዓ፡ ስጋኡ ብኣውሊ ሰማይ ጠልቀየ።
34እቲ ዘመን ምስ ተፈጸመ፡ ኣነ ነቡካድነጻር፡ ኣዒንተይ ናብ ሰማይ ኣልዓልኩ እሞ ኣእምሮይ ተመልሰለይ። ነቲ ልዑል ባረኽኩ፡ ነቲ ንዘለኣለም ህያው ዝዀነ፡ ግዝኣቱ ዘለኣለማዊ ግዝኣት፡ መንግስቱውን ንውሉድ ወለዶ ዝነብር፡ ወደስኩን ኣኽበርኩን።35እቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ኩሎም ብእኡስ ከም ገለ እኳ ኣይቍጸሩን፡ ንሱ ኣብ ሰራዊት ሰማይን ኣብቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩን ከም ፍቓዱ እዩ ዝገብር። ንኢዱ ክኽልክላ፡ ሰለምንታይ እዚ እትገብር፡ ክብሎ ዝኽእልውን የሎን።36በታ ግዜ እቲኣ ኣእምሮይ ተመለስለይ፡ ንኽብሪ መንግስተይ ከኣ ግርማይን ምንጽብራቐይን ተመልሰለይ። ኣማኸርተይን መኳንንተይን ደለዪኒ፡ ኣነ ኸኣ ኣብ መንግስተይ ጸናዕኩ፡ ዝበለጸ ዕቤትውን ተወሰኸለይ።37ሕጂ ድማ ኣነ ነቡካድነጻር ነቲ ንጉስ ሰማይ አመስግኖን ልዕል አብሎን አኽብሮን ኣሎኹ። ተግባሩ ኹሉ ሓቂ፡ መገድታቱ ኸኣ ፍርዲ እዩ እሞ፡ ነቶም ተዓብዮም ዝኸዱ ከዋርዶም ይኽእል እዩ።
ትን. ዳንኤል ምዕራፍ 5
1ንጉስ ቤልሻጽር ንሽሕ መኳንንቱ ዓብዪ ምሳሕ ገበረሎም፡ ኣብ ቅድሚ እቶም ሽሕ ድማ ወይኒ ይሰቲ ነበረ።2ቤልሻጽር ሰኺሩ፡ ንጉስን መኳንንቱን ኣንስቱን ዕቁባቱን ብእኡ ምእንቲ ክሰትዩ፡ ነቲ ኣቦኡ ነቡካድነጻር ካብ መቕደስ የሩሳሌም ዝወሰዶ ኣቓሑ ወርቅን ብሩርን ከምጽእዎ ኣዘዘ።3ሽዑ ነቲ ካብቲ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረ መቕደስ ቤት ኣምላኽ ዝወሰድዎ ኣቓሑ ወርቂ ኣምጽእዎ። እቲ ንጉስን መኳንንቱን ኣንስቱን ዕቁባቱን ከኣ ብእኡ ገይሮም ሰተዩ።4ወይኒ እናሰተዩ፡ ነቶም ብወርቅን ብብሩርን በስራዝን ብሓጺንን ብዕጨይትን ብእምንን እተገብሩ ኣማልኽቶም ወደሱ። 5በታ ሰዓት እቲኣ ኣብቲ ልቕሉቕ መንደቕ ኣዳራሽ ንጉስ፡ ኣብ መንጽር እቲ ቐዋሚ ቐንዴልሲ ኣጻብዕ ኢድ ሰብ ወጻን ጸሓፋን። እቲ ንጉስ ድማ ነታ ኢድ ሰብ ረኣያ።6ሽዑ እቲ ንጉስ ገጹ ተለወጠ፡ ሓሳባቱ ከኣ ኣጨነቖ፡ ጅማውቲ ሕቝኡ ድማ ላሕልሐ፡ ኣብራኹውን ንሓድሕዱ ተዋቕዓ።7እቲ ንጉስ ነቶም ኣስማተኛታትን ከለዳውያንን ቈጸርቲ ከዋኽብትን ከእትውዎም፡ ዓው ኢሉ ጨደረ። እቲ ንጉስውን ነቶም ጠቢባን ባቢሎን፡ ዝዀነ ይኹን ነዛ ጽሕፈት እዚኣ ዘንብባን ትርጓሜኣ ከኣ ዝነግረንን ቀይሕ ሃሪ ክለብስ፡ ድሪ ወርቂ ክኣስር፡ ኣብታ መንግስቲ ድማ ሳልሳይ ገዛኢ ክኸውን እዩ፡ ኢሉ መለሰ። 8ሽዑ ዅላቶም ጠቢባን ንጉስ ኣተዉ፡ ግናኸ ነታ ጽሕፈት ከንብብዋን ትርጓሜኣ ኸኣ ነቲ ንጉስ ክነግርዎን ኣይከኣሉን።9ሽዑ ንጉስ ቤልሻጽር ኣዝዮ ሰምበደ፡ ገጹ ተለወጠ፡ መኳንንቱውን ተጨነቑ።10እታ ንግስቲ በቲ ንንጉስን መኳንንቱን ዝበጽሖም ነገር ናብ ቤት ምሳሕ ኣተወት። እታ ንግስቲ ኸኣ ከምዚ ኢላ በለት፡ ዎ ንጉስ፡ ንዘለኣለም ህያው ኩን፡ ሓሳባትካ ኣየጨንቕካ፡ ገጽካውን ኣይለወጥ።11መንፈስ ቅዱሳን ኣማልኽቲ ዘለዎ ሰብኣይ ኣብ መንግስትኻ ኣሎ። ብዘመን ኣቦኻ ድማ ብርሃንን ኣእምሮን ከምቲ ጥበብ ኣማልኽቲ ዝዀነ ጥበብን ተረኽቦ። ዎ ንጉስ፡ ኣቦኻ ንጉስ ነቡካድነጻር፡ ባዕሉ ኣቦኻ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ጠቢባን ኣስማተኛታትን ከለዳውያንን ቈጸርቲ ከዋክብትን ሾሞ።12ኣብቲ እቲ ንጉስ ቤልጥሻጽር ኢሉ ዘውጽኣሉ ዳኒኤል ብሉጽ መንፈስን ፍልጠትን ምስትውዓልን ምትርጓም ሕልምን ምግላጽ ምስጢርን ምቕናዕ እተጠላለፈ ነገርን ተረኺቡ እዩ እሞ ሕጂ ዳንኤል ይጸዋዕ፡ ንሱውን ነቲ ትርጓሜ ከፍልጠካ እዩ። 13ሽዑ ንዳንኤል ኣብ ቅድሚ ንጉስ ኣምጽእዎ። እቲ ንጉስ ከኣ ንዳንኤል፡ እቲ ካብቶም ኣቦይ ንጉስ ካብ ይሁዳ ዝማረኾም ደቂ ምሩኻት ይሁዳ ዝዀንካ ዳንኤል ንስኻዶ ኢኻ፡ ኢሉ መለሰ።14ኣነ ብዛዕባኻ መንፈስ ኣማልኽቲ ከም ዘሎካ፡ ብርሃንን ምስትውዓልን ብሉጽ ጥበብን ድማ ከም እተረኸበካ፡ ሰማዕኩ።15ሕጂ ከኣ እቶም ጠቢባን ፈለጥትን፡ ነዛ ጽሕፈት እዚኣ ከንብብዋ እሞ ትርጓሜኣ ከፍልጡኒ፡ ኣብ ቅድመይ ኣምጻእዎም፡ ግናኸ ትርጓሜ እቲ ነገርሲ ከፍልጡኒ ኣይከኣሉን።16ብዛዕባኻ ግና ትርጓሜታት ምትርጓም፡ እተጠላለፈ ነገር ከኣ ምፍታሕ ከም እትኽእል ሰሚዔ ኣሎኹ። እምብኣርስ ነዛ ጽሕፈት ከተንብባን ትርጓሜኣ ድማ ከተፍልጠንን እንተ ኸኣልካስ፡ ቀይሕ ሃሪ ክትለብስ፡ ድሪ ወርቂ ኣብ ክሳድካ ክትኣስር፡ ኣብታ መንግስቲ ከኣ ሳልሳይ ገዛኢ ክትከውን ኢኻ፡ በሎ። 17ሽዑ ዳንኤል ኣብ ቅድሚ ንጉስ ከምዚ ኢሉ መለሰ፡ ህያብካ ንኣኻ ይኹን፡ ውህበታትካውን ንኻልእ ሃቦ። ዝዀነ ኮይኑ ንንጉስ እታ ጽሕፈት ከንብበሉ፡ ትርጓሜኣውን ከፍልጦ እየ።18ዎ ንጉስ፡ እቲ ልዑል ኣምላኽ ነቦኻ ነቡካድነጻር መንግስትን ዕቤትን ክብርን ግርማን ሃቦ።19ስለ እቲ ንሱ ዝሃቦ ዕቤት ኵሎም ኣህዛብን ወገናትን ቋንቋታትን ኣብ ቅድሚኡ የንቀጥቅጡን ይፈርሁን ነበሩ። ንዝደለዮ ቀተሎ፡ ንዝደለዮ ብህይወት ክነብር ሓደጎ። ንዘደለዮ ልዕል ኣበሎ፡ ንዝደለዮ ከኣ ኣዋረዶ።20ግናኸ ልቡ ልዕል ምስ በለ፡ መንፈሱ ከኣ ተሪሩ ምስ ተዓበየ፡ ካብ ዝፋን መንግስቱ ወረደ፡ ክብረቱውን ተወስዶ።21ካብ ደቂ ሰብ ተሰጐ፡ ልቡ ኸኣ ከም ናይ እንስሳ ኮነ፡ ምስ ኣድጊ በረኻ ድማ ሰፈረ፡ ከም ነብዑርውን ሳዕሪ ኣብልዕዎ፡ ስጋኡ ብኣውሊ ሰማይ ጠልቀየ፡ እዚ ኸኣ እቲ ልዑል ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ሰብ ከም ዝመልኽ፡ ንዝደለዮ ኸኣ ኣብ ልዕሊኡ ከም ዘቝመሉ፡ ክሳዕ ዘስተውዕሎ እዩ ዝዀነ።22ኣታ ቤልሻጽር ወዱ፡ ምንም እኳ እዚ ኩሉ ፈሊጥካ ክንስኻስ፡ ልብኻ ኣየትሓትካን።23ነቲ ጐይታ ሰማይ ርእስኻ ኣልዓልካሉ፡ ነቲ ኣቓሑ ቤቱ ኣብ ቅድሜኻ ኣምጽእዎ እሞ፡ ንስኻን መኳንንትኻን ኣንስትኻን ዕቁባትካን ወይኒ ሰቴኹምሉ:: ነቶም ዘይርእዩን ዘይሰምዑን ዘይፈልጡን ኣማልኽቲ ብሩርን ወርቅን ኣስራዝን ሓጺንን ዕጨይትን እምንን ወደስካ እምበር: ነቲ ንስትንፋስካን ንኹለን መገድኻን ኣብ ኢዱ ዝሓዘ ኣምላኽሲ ኣየኽበርካዮን።24ስለዚ ኸኣ እታ ነዛ ጽሕፈት እዚኣ ዝጸሓፈት ኢድ ካብኡ እያ እተላእከት።25እዛ ጽሕፍቲ ጽሕፈት እትብሎ ዘላ ኸኣ፡ መኔ፡ መኔ፡ ቴቄል ኡፋርሲን፡ እዩ።26-28ትርጓሜኡ ድማ መኔ፡ ኣምላኽ ንመንግስትኻ ቆጸሮን ጠረሶን፡ ቴቄል፡ ብሚዛን ተመዚንካ፡ ቀሊልካ ተረኸብካ፡ ኡፋርሲን፡ መንግስትኻ ተመቒላ ንሰብ ሜዶንን ፋርስን ተዋህበት፡ ማለት እዩ። 29ሽዑ ቤልሻጽር ንዳንኤል ቀይሕ ሃሪ ክኸድንዎ፡ ኣብ ክሳዱ ከኣ ድሪ ወርቂ ክኣስሩሉ ኣዘዘ፡ ኣብታ መንግስቲ ሳልሳይ ገዛኢ ክኸውን ድማ ኣዋጅ ኣንገረሉ።30በታ ለይቲ እቲኣ ቤልሻጽር ንጉስ ከለዳውያን ተቐትለ።31ዳርዮስ ሜዶናዊ ከኣ፡ ወዲ ስሳን ክልተን ዓመት ከሎ፡ ነታ መንግስቲ ተቐበላ።
ትን. ዳንኤል ምዕራፍ 6
1ንዳርዮስ፡ ኣብ ብዘላ መንግስቱ ዝዀኑ ሚእትን ዕስራን መሳፍንቲ ኣብታ መንግስቲ ክሸይም፡ ጽቡቕ ኰይኑ ተራእዮ።2እቲ ንጉስ ከይጕዳእሲ፡ እቶም መሳፍንቲ ጸብጻብ ክህቡዎም፡ ኣብ ልዕሊኦም ሰለስተ ኣርኣሰሎም፡ ሓደ ካብ እዚኣቶም ከኣ ዳንኤል እዩ።3ዳንኤል ግና፡ ብሉጽ መንፈስ ሓዲርዎ ነበረ እሞ፡ ካብቶም ራእስታትን መሳፍንትን በለጸ፡ እቲ ንጉስ ድማ ኣብ ብዘላ መንግስቲ ከርእሶ ሓሰበ። 4ሽዑ እቶም ራእስታትን መሳፍንትን ንዳንኤል ብናይ መንግስቲ ጕዳይ ምኽንያት ክረኽቡሉ ደለዩ፡ ግናኸ እሙን ነበረ፡ ገለ ጌጋ ወይስ መንቀፊ ከኣ ሰኣኑሉ እሞ፡ ምኽንያት ወይስ መንቀፊ ክረክቡሉ ከቶ ኣይከኣሉን።5ሽዑ እቶም ሰባት፡ ነዚ ዳንኤልሲ፡ በታ ሕጊ ኣምላኹ እንተ ዘኰይኑ፡ ካልእ ምኽንያት ክንረኽበሉ ከቶ ኣይንኽእልን ኢና፡ በሉ።6ድሕርቲ እቶም ራእስታትን መሳፍትን ኣብ ቅድሚ ንጉስ ተኣከቡ እሞ ከምዚ ኢሎም በልዎ፡ ዎ ዳርዮስ፡ ንዘለኣለም ህያው ኩን።7ኩላቶም ራእስታትን መንግስትን ሹማምንትን መሳፍንትን ኣማኸርትን ምስለኔታትን፡ በዘን ሰላሳ መዓልቲ እዚኤን፡ ዎ ንጉስ፡ ንኣኻ እንተ ዘይኰይኑ፡ ንዝዀነ ይኹን ኣምላኽ ወይስ ንሰብ ዝለመነ ኣብ ጕድጓድ ኣናብስ ከም ዝድርበ፡ ትእዛዝ ንጉስ ክጸንዕ፡ ብርቱዕ ክልክል ከኣ ክእወጅ ሓቢሮም መኸሩ።8ዎ ንጉስ፡ ከምቲ ዘይልወጥ ሕጊ ሜዶንን ፋርስን ክኸውን እሞ ከይልወጥሲ፡ ስምካ ጽሒፍካ ነቲ ክልክል ኣጽንዓዮ።9ንጉስ ዳርዮስ ድማ ነቲ ጽሑፍን ክልክልን ኣጽንዖ። 10ዳንኤል ድማ እዚ ሕጊ ከም እተጻሕፈ ምስ ፈለጠ፡ ናብ ቤቱ ከደ። እተን መሳዅቲ እታ ኣብ ደርቢ ዝነበረት ቤቱ ናብ የሩሳሌም ኣቢለን ተኸፊተን ነበራ እሞ ከምቲ ቐደም ዝገብሮ ዝነበረ ሰለስተ ሳዕ ኣብ መዓልቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኹ ብብርኩ እናተምበርከኸ፡ ጸለየን ኣመስገነን።11ሽዑ እቶም ሰባት ተኣኻኸቡ፡ ዳንኤል ኣብ ቅድሚ ኣምላኹ ክጽልን ክምህለልን ከሎ ረኽብዎ።12ሽዑ ቐሪቦም ኣብ ቅድሚ ንጉስ ብዛዕባ እቲ ክልክል ንጉስ፡ ዎ ንጉስ፡ በዘን ሰላሳ መዓልቲ እዚአን፡ ንኣኻ እንተ ዘይኰነስ፡ ንዝዀነ ይኹን ኣምላኽ ወይስ ንሰብ ገለ ዝለመነ ናብ ጕድጓድ ኣናብስ ክድርበ፡ ኢልካዶ ክልክል ኣይኣወጅካን፡ ኢሎም ተዛረብዎ። እቲ ንጉስ ድማ፡ እዚ ነገር እዚ ከምቲ ክልወጥ ዘይከኣል ሕጊ ሜዶንን ፋርስን ኰይኑ ጸኒዑ እዩ ኢሉ መለሰ።13ሽዑ ንሳቶም ኣብ ቅድሚ ንጉስ፡ እዚ ካብ ደቂ ይሁዳ ዝዀነ ዳንኤል ኣብ መዓልቲ ሰለስተ ሳዕ ልማኖኡ ይልምን ኣሎ እምበር፡ ዎ ንጉስ፡ ንኣኻ ወይስ ነቲ ዝኣወጅካዮ ክልክል ግዲ የብሉን፡ ኢሎም መለሱ።14እቲ ንጉስ እዚ ነገር እዚ ምስ ሰምዐ፡ ኣዝዩ ጐሃየ፡ ምእንቲ ከናግፎ ኸኣ ልቡ ናብ ዳንኤል ኣድሃበ፡ ጸሓይ ክሳዕ እትዓርብውን፡ከድሕኖ ተጋደለ።15ሽዑ እቶም ሰባት ናብ ንጉስ ተኣከቡ እሞ፡ ዎ ንጉስ፡ እቲ ንጉስ ዘጽንዖ ክልክል ትእዛዝን ከይልወጥሲ፡ ኣብ ሜዶንን ፋርስን ሕጊ ከም ዘሎ ፍለጥ፡ ኢሎም ንንጉስ ተዛረብዎ።16ሽዑ እቲ ንጉስ ኣዘዘ፡ ንዳንኤል ከኣ ኣምጽእዎ፡ ናብ ጕድጓድ ኣናብስውን ደርበይዎ። ንጉስ ድማ ንዳንኤል፡ እቲ ኩሉ ግዜ እተገልግሎ ኣምላኽካ ንሱ የናግፍካ፡ በሎ።17ሓደ እምኒ ኣምጺኦም ነቲ ኣፍ ጕድጓድ ዓጸውዎ። እቲ ንጉስ ከኣ፡ ገለ ብዛዕባ ዳንኤል ከይልወጥሲ፡ ብቐለቤቱን ብቐለቤት መሳፍንቱን ሓተሞ። 18እቲ ንጉስ ናብ ኣዳራሹ ከደ፡ ጾሙ ከኣ ሓደረ፡ ኣብ ቅድሚኡ ድራር ኣየቕረበን፡ ድቃስውን ካብኡ በረረ።19ንጽባሒቱ እቲ ንጉስ ኣንጊሁ ተንስአ፡ ቀልጢፉ ከኣ ናብቲ ጕድጓድ ኣናብስ ከደ።20ናብቲ ጕድጓድ ምስ ቀረበ፡ ንዳንኤል እናሕነቕነቐ ጸውዖ። እቲ ንጉስ ከኣ፡ ኣታ ዳንኤል ባርያ ህያው ኣምላኽ፡ እቲ ኩሉ ግዜ እተገልግሎ ኣምላኽካስ ካብ ኣናብስ ከናግፈካዶ ከኣለ፡ ኢሉ ንዳንኤል ተዛረቦ።21-22ሽዑ ዳንኤል ንንጉስ፡ ዎ ንጉስ፡ ንዘለኣለም ህያው ኩን። ዎ ንጉስ፡ ኣብ ቅድሚኡ ንጹህ ኰይነ ተረኺበ እየ፡ ኣብ ቅድሜኻ ኸኣ ኣይበደልኩን እሞ፡ ኣምላኸይ መልኣኹ ልኢኹ፡ ኣፍ ኣናብስ ዓጸወ፡ ከቶውን ኣይጐድኡንን፡ ኢሉ መለሰሉ።23ሽዑ እቲ ንጉስ ኣዝዮ ተሓጐሰ፡ ንዳንኤል ድማ ካብቲ ጕድጓድ ኣውጽእዎ። ኣብ ኣምላኹ ተወኪሉ ስለ ዝነበረውን፡ ገለ ጕድኣት ኣይተረኽቦን።24እቲ ንጉስ ከኣ ኣዘዘ፡ ነቶም ከሰስቲ ዳንኤል ኣምጺኦም፡ ንሳቶም ደቆምን ኣንስቶምን ናብ ጕድጓድ ኣናብስ ደርበይዎም። ገና ኣብ ከብዲ ጕድጓድ ከይበጽሑ ድማ፡ እቶም ኣናብስ ጐበጥዎም፡ ኩሉ ኣዕጽምቶምውን ሰባበርዎ። 25ድሕርዚ ንጉስ ዳርዮስ ነቶም ኣብ ኵላ ምድሪ ዝነብሩ ኩላቶም ኣህዛብን ወገናትን ቋንቋታትን ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ፡ ሰላም ይብዛሓልኩም።26ኣምላኽ ዳንኤል ንዘለኣለም ዝነብር ህያው ኣምላኽ እዩ፡ መንግስቱ ኣይክትጠፍእን እያ፡ ግዝኣቱውን ክሳዕ መወዳእታ ክቐውም እዩ እሞ፡ ኣብ ኵሉ ግዝኣት መንግስተይ ኣብ ቅድሚኡ የንቀጥቀጡን ይፍርሁን፡ ኢለ እእዝዝ ኣሎኹ።27ንሱ የናግፍን የድሕንን፡ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ከኣ ትእምርትን ተኣምራትን ይገብር እዩ። ንዳንኤል ካብ ኣናብስ ዘድሓነ ድማ ንሱ እዩ።28እዚ ዳንኤል እዚ ኣብ መንግስቲ ዳርዮስን ኣብ መንግስቲ ቂሮስ ብዓል ፋርስን ሰልጠነ።
ትን. ዳንኤል ምዕራፍ 7
1ንቤልሻጽር ንጉስ ባቢሎን ኣብታ ቐዳመይቲ ዓመቱ፡ ዳንኤል ኣብ መደቀሲኡ ከሎ፡ ሕልምን ራእያት ርእሱን ረኣየ። ሽዑ ነቲ ሕልሚ ጸሓፎ፡ ርእሰ ነገሩውን ኣዘንተዎ።2ዳንኤል ከምዚ ኡሉ ተዛረበ፡ ለይቲ ብራእየይ ርኣኹ፡ እንሆ ኸኣ፡ እቶም ኣርባዕተ ንፋሳት ሰማይ ኣብ ልዕሊ እቲ ዓብዪ ባሕሪ ይጋጨው ነበሩ።3ካብቲ ባሕሪ ድማ በበይኖም ዝዓይነቶም ኣርባዕተ ዓበይቲ ኣራዊት ወጹ።4እቲ ቐዳማይ ነንበሳ ይመስል፡ ኣኽናፍ ንስሪ ድማ ነበሮ። ኣኽናፍ ክሳዕ ዝምንቄሳ ኸኣ ጠመትክዎ። ካብ ምድሪ ተንስአ፡ ከም ሰብ ድማ በእጋሩ ደው በለ፡ ልቢ ሰብውን ተዋህቦ።5እንሆ ድማ፡ ካልኣይ፡ ንድቢ ዝመስል ካልእ ኣራዊት። ንሱ ብጐድኑ ተንስአ፡ ሰለስተ ዓጽሚ መሰንገለ ኣብ ኣፉ ኣብ መንጎ ኣስናኑ ነበረ፡ ተንስእ እሞ ብዙሕ ስጋ ብላዕ፡ ከኣ በልዎ።6ድሕርዚ እንሆ፡ ካልእ ኣራዊት፡ ኣብ ጐድኑ ኣርባዕተ ኽንፊ ዑፍ ዝነበሮ ንነብሪ ዝመስል ጠመትኩ። እዚ ኣራዊት እዚ ኣርባዕተ ርእሲ ነበሮ፡ ግዝኣት ድማ ተዋህቦ።7ድሕርዚ ብራእያት ለይቲ፡ እንሆ፡ መፍርህን መሰክሕን ኣዝዩ ብርቱዕን ዝዀነ ራብዓይ ኣራዊት ርኣኹ። ዓበይቲ ኣስናን ሓጺን ነበሮ፡ ይውሕጥን ይጥሕንን ነቲ ዝተረፈ ከኣ በእጋሩ ይረግጾን ነበረ። ካብቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ኵላቶም ኣራዊት በይኑ ዝዓይነቱ እዩ ዝነበረ፡ ዓሰርተ ኣቕርንቲውን ነበሮ።8ኣነ ነቶም ኣቕርንቲ አስተብህለሎም ነበርኩ፡ እንሆ ኸኣ፡ ኣብ ማእከሎም ንእሽቶ ካልእ ቀርኒ ወጸ፡ ካብቶም ቀዳሞት ኣቕርንቲ ድማ ሰለስተ ኣብ ቅድሚኡ ተመንቈሱ። እንሆውን እዚ ቐርኒ እዚ ዓይኒ ሰብ ዝመስል ዓይንን ዓብዪ ነገር ዝዛረብ ኣፍን ነበሮ። 9ኣነ ዝፋናት ክሳዕ ዝንበሮ እጥምት ነበርኩ፡ ሓደ ጥንታዊ ዝመዓልቱ ድማ ተቐመጠ። ክዳውንቱ ጻዕዳ ከም በረድ፡ ጸጕሪ ርእሱ ኸኣ ከም ጽሩይ ጸምሪ እዩ። ዝፋኑ ሃልሃልታ ሓዊ፡ መንኰራዅሩ ድማ ጕሁር ሓዊ እዩ።10ውሒዝ ሓዊ ይውሕዝ፡ ካብ ቅድሚኡ ኸኣ ይወጽእ ነበረ። ሽሕ ግዜ ሽሕ የገልግልዎ፡ እልፊ ግዜ እልፊ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ቘይሞም ነበሩ። ፍርዲ ዀነ፡ መጻሕፍቲውን ተገንጸለ።11ሽዑ ኣነ ብዛዕባ እቲ ቐርኒ እተዛረቦ፡ ድምጺ ዓበይቲ ቓላት ጠመትኩ። እቲ ኣራዊት ክሳዕ ዝቕተል ጠመትኩ፡ ስጋኡ ጠፍአ፡ ምእንቲ ክነድድ ከኣ ንሓዊ ተዋህበ።12ካብቶም ዝተረፉ ኣራዊት ድማ ግዝኣቶም ተወስደ፡ ምናሕ ህይወት ግና ንዘመንን ንውሱን ግዜን ተወሰኸሎም። 13ብራእያት ለይቲ እጥምት ነበርኩ፡ እንሆ ከኣ ወዲ ሰብ ዝመስል ብደበና ሰማይ ይመጽእ ነበረ፡ ናብቲ ጥንታዊ ዝመዓልቱ ድማ በጽሐ፡ ናብ ቅድሚኡውን ኣቕረብዎ።14ኵላቶም ኣህዛብን ወገናትን ቋንቋታትን ከገልግልዎስ፡ ግዝኣትን ክብርን መንግስትን ንእኡ ተዋህቦ። ግዝኣቱ ዘይሓልፍ ዘለኣለማዊ ግዝኣት እዩ፡ መንግስቱውን ከቶ ኣይክትጠፍእን እያ። 15ኣነ ዳንኤል፡ መንፈሰይ ኣብ ውሽጢ ስጋይ ሰምበደ፡ እቲ ራእያት ርእሰይ ከኣ ኣጨነቐኒ።16ካብቶም ደው በሃልትስ ናብ ሓደ ቐረብኩ፡ ብዛዕባ እዚ ኩሉ ኸኣ ርግጹ ሓተትኩዎ። ንሱ ተዛረበኒ፡ ትርጓሜ እቲ ነገርውን ነገረኒ።17እዞም ኣርባዕተ ዓበይቲ ኣራዊት እዚኣቶም ካብ ምድሪ ዝትንስኡ ኣርባዕተ ነገስታት እዮም።18እቶም ናይ ልዑል ቅዱሳን ግና ነታ መንግስቲ ክቕበልዋ እዮም፡ ነታ መንግስቲውን ንዘለኣለም፡ አረ ንዘለኣለመ ኣለም ክወርስዋ እዮም።19-20ድሕርዚ ድማ ብዛዕባ እቲ፡ ኣስናኑ ሓጺን፡ ኣጽፋሩ ከኣ ኣስራዚ ዝዀነ፡ ዝወሓጠን ዝሰባበረን ንዝተረፎ ድማ በእጋሩ ዝረጋገጾን ኣዝዩ ዘሰክሕን ንበይኑ ዝዀነ ዓይነቱን ራብዓይ ኣራዊት፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ርእሱ ዝነበረ ዓሰርተ ኣቕርንትን ብዛዕባ እታ፡ ኣብ ቅድሚኣ ሰለስተ ዝወደቑ፡ ዝወጸት ካልእ ቀርንን፡ ንሳውን ኣዒንትን ዓበይቲ ነገር ዝዛረብ ኣፍን ዝነበራ፡ ትርኢታውን ካብቶም ካልኦት ዝበለጸት፡ ርግጹ ክፈልጥ ደሌኹ።21-22እቲ ጥንታዊ ዝመዓልቱ ክሳዕ ዝመጽእ፡ ፍርዲ ነቶም ናይ ልዑል ቅዱሳን ክሳዕ ዝወሃብ፡ እቶም ቅዱሳን ነታ መንግስቲ ዝወርሱላ ግዜ ክሳዕ እትመጽእ፡ እታ ቐርኒ ምስቶም ቅዱሳን ክትዋጋእን ክትስዕሮምን ከላ ርኤኹ። 23ንሱ ኸኣ ከምዚ ኢሉ ተዛረበኒ፡ እቲ ራብዓይ ኣራዊት፡ ካብ ኵለን መንግስታት በይና ዝኰነት ዓይነታ፡ ራብዐይቲ መንግስቲ ኣብ ምድሪ ክትከውን እያ፡ ንዅላ ምድሪ ክትውሕጣን ክትረግጻን እያ።24እቶም ዓሰርተ ነገስታት ክትንስኡ እዮም፡ ድሕሪ እዚኣቶም ድማ ካብቶም ቀዳሞት በይኑ ዝዀነ ዓይነቱ ካልእ ክትንስእ፡ ንሰለስተ ነገስታትውን ከውርዶም እዩ።25ኣብቲ ልዑል ከኣ ናይ ትዕቢት ቃል ክዛረብ፡ ነቶም ናይ ልዑል ቅዱሳን ድማ ከጽንቶም፡ ዘመናትን ሕጋጋትን ክልውጥ ከኣ ክሕልን እዩ፡ ንሳቶምውን ክሳዕ ዘመንን ዘመናትን ፈረቓ ዘመንን ኣብ ኢዱ ክውሃቡ እዮም።26ግናኸ ፍርዲ ክኸውን፡ ብጥራስ ክጸንትን ክጠፍእን ከኣ፡ ግዝእቱ ካብኡ ክውሰድ እዩ።27እቲ ኣብ ትሕቲ ኩሉ ሰማይ ዘሎ መንግስትን ግዝኣትን ዕቤት መንግስታትን ነቲ ናይ ልዑል ህዝቢ ቅዱሳን ክውሃብ እዩ። መንግስቱ ናይ ዘለኣለም መንግስቲ እያ፡ ብዘለዉ ግዝኣታት ድማ ከገልግልዎን ክእዘዝዎን እዮም።28ኣብዚ እዩ መወዳእታ እዚ ነገር። ኣነ ዳንኤል ሓሳባተይ ኣዝዩ ኣጨነቐኒ፡ ገጸይ ተለወጠኒ፡ ነቲ ነገር ከኣ ኣብ ልበይ ዓቘርክዎ።
ትን. ዳንኤል ምዕራፍ 8
1ንግዝኣት ንጉስ ቤልሻጽር ኣብ ሳልሰይቲ ዓመቱ ንኣይ ንዳንኤል፡ ድሕሪ እቲ ብመጀመርያ እተገልጸለይሲ፡ ራእይ ተገልጸለይ።2ብራእይ ከኣ ርኣኹ፡ ክርኢ ከሎኹ ድማ፡ ኣብታ ኣብ ኣውራጃ ኤላም ዘላ ከተማ ሱሳን ነበርኩ። ብራእይ ርኣኹ፡ ኣብ ጥቓ ርባ ኡላይ ከኣ ነበርኩ።3ኣዒንተይ ኣልዒለ ርኣኹ፡ እንሆ ከኣ፡ ክልተ ዝቐርኑ ድዑል ኣብ ቅድሚ ርባ ደው ኢሉ ነበረ፡ እተን ክልተ ኣቕርንቲ ድማ ልዕል ዝበላ እየን፡ እታ ሓንቲ ግና ካብታ ሓንቲ ልዕል ዝበለት ኣያ፡ እዛ ኣውራ ልዕልቲ ከኣ ደሓር እያ ዝወጸት።4እቲ ድዑል ድማ ንምዕራብ ኣቢሉ ንሰሜን ኣቢሉ፡ ንደቡብ ኣቢሉ በቕርንቱ ይፍልስ ነበረ፡ ክቃወሞ ዝኽእል ኣራዊት ኣይነበረን፡ ካብ ኢዱ ከናግፍ ዝኽእልውን ኣይነበረን። ንሱ ከም ዝደለዮ ገበረ፡ ዓብዪ ድማ ዀነ።5ኣነ ከስተብህል ከሎኹ፡ እንሆ፡ ድቤላ ካብ ምዕራብ ኣብ ዝባን ኵላ ምድሪ መጸ፡ ንምድሪ ከኣ ኣይተንከያን። እዚ ድቤላ እዚ ኣብ መንጎ ኣዒንቱ ምርእይቲ ቀርኒ ነበረቶ።6ንሱ ናብቲ ክልተ ዝቐርኑ ኣብ ቅድሚ ርባ ደው ኢሉ ዝርኣኽዎ ድዑል መጸ፡ ብነድሪ ሓይሉውን ጐየዮ።7ናብቲ ድዑል ክቐርብ ከሎ ርኣኽዎ፡ ኣዝዩ ኸኣ ተቘጥዖ፡ ነቲ ድዑል ወቕዖ እሞ ክልቲአን ኣቕርንቱ ሰበሮ፡ ናብ ምድሪ ኣውደቖን ረገጾን። እቲ ድዑል ንምቅዋሙ ሓይሊ ሰኣነ፡ ነቲ ድዑል ካብ ኢዱ ከናግፎ ዝኸኣለ ከኣ ኣይነበረን።8እቲ ድቤላ ግና እምብዛ ዓብዪ ዀነ። ምስ በርትዓ ድማ እታ ዓባይ ቀርኑ ተሰብረት፡ ኣብ ክንድኣ ኸኣ ኣርባዕተ ምርኡያት ኣቕርንቲ ናብ ኣርባዕተ ንፋሳት ሰማይ ኣቢለን ወጻ። 9ካብ ሓንቲአን ድማ ንእሽቶ ቐርኒ ወጸት፡ ንሳውን ናብ ደቡብን ናብ ምብራቕን ናብታ ክብርቲ ሃገርን ኣቢላ ዓበየት።10ክሳዕ ሰራዊት ሰማይ ዓበየ እሞ ካብቲ ሰራዊትን ካብ ከዋኽብትን ንሓያሎ ናብ ምድሪ ኣውደቖም ረገጾም ከኣ።11አረ ክሳዕ እቲ ሓለቓ ሰራዊት እኳ ተዓበየሉ። ነቲ ናይ ኵሉ መዓልቲ መስዋእቲ ከኣ ካብኡ ኣትረፎ፡ እታ ማሕደር መቕደሱውን ፈረሰት።12እቲ ሰራዊት ምስናይ እቲ ናይ ኵሉ መዓልቲ መስዋእትስ ብሰሪ ዕልወት እዩ እተዋህቦ። ንሱ ነታ ሓቂ ናብ ምድሪ ደርበያ፡ ገበረ ሰለጠሉ ከኣ። 13ሽዑ ካብ ቅዱሳንሲ ሓደ ክዛረብ ከሎ ሰማዕኩ። ሓደ ካልእ ቅዱስ ድማ ነቲ ዝዛረብ ዘሎ፡ ብዛዕባ ናይ ኵሉ መዓልቲ መስዋእትን ብሰሪ ምዕላው ከኣ እቲ መቕደስን ሰራዊትን ንምርጋጽ ምእንቲ ክውሃብ ዝመጽእ ምዕናውን ዝነግር ራእይሲ ክሳዕ መኣስ ኣዩ ዝንበር፡ ኢሉ ተዛረቦ።14ንሱ ከኣ፡ ክሳዕ ክልተ ሽሕን ሰለስተ ሚእትን ምሸትን ብጊሓትን፡ ሽዑ እታ መቕደስ ክትነጽህ እያ፡ በለኒ። 15ኰነ ድማ፡ ኣነ ዳንኤል ነቲ ራእይ ምስ ርኣኹ፡ ከስተውዕሎ ደሌኹ። እንሆ ኸኣ፡ ሰብ ዝመስል ኣብ ቅድመይ ደው በለ።16ካብ ማእከል ኡላይ ድማ፡ ገብርኤል፡ እቲ ራእይ ነዚ ሰብዚ ግለጸሉ፡ ኢሉ ዝጽውዕ ድምጺ ሰብ ሰማዕኩ።17ንሱ ከኣ ናብታ ደው ኢለያ ዝነበርኩ ስፍራ ቐረበ። ምስ መጸ፡ ሰምበድኩ ብገጸይውን ወደቕኩ። ንሱ ድማ፡ ኣታ ወዲ ሰብ፡ እዛ ራእይ እዚኣ ብዛዕባ መወዳእታ ኣያ እሞ፡ ኣስተውዕል፡ በለኒ።18ንሱ ክዛረበኒ ከሎ፡ ኣእምሮይ ጠፊኡኒ፡ ብገጸይ ናብ ምድሪ ወደቕኩ። ግናኸ ንሱ ተንከየኒ፡ ቀጥ ኣቢሉ ኸኣ ኣቘመኒ።19ንሱውን በለ፡ እዚ ብዛዕባ እቲ እተመደበ ናይ መወዳእታ ግዜ እዩ እሞ፡ እንሆ፡ ነቲ ኣብ መወዳእታ ግዜ ቝጥዓ ዝኸውን ከፍልጠካ እየ።20እቲ ዝርኣኻዮ ክልተ ዝቐርኑ ድዑልሲ ነገስታት ሜዶንን ፋርስን እዮም።21እቲ ጨጓር ድቤላ ድማ ንጉስ ዮናኒ እዩ። እታ ኣብ መንጎ ኣዒንቱ ዝነበረት ዓባይ ቀርኒ ከኣ እቲ ቐዳማይ ንጉስ እዩ።22ብዛዕባ እታ እተሰብረትን ኣብ ክንድኣ ኸኣ ኣርባዕተ ዝተንሳኣን፡ ካብቲ ህዝቢ ኣርባዕተ መንግስታት ክትንስኣ እየን፡ ብሓይሊ ግና ኣይክመዓራረያኣን እየን።23ኣብቲ መወዳእታ መንግስቶም ከኣ፡ እቶም ኣበሰኛታት መስፈሮም ምስ መልአ፡ ሓደ ጨካን ዝገጹን ተንኰል ዘስተውዕልን ንጉስ ክትንስእ እዩ።24ሓይሉ ክብርትዕ እዩ፡ ብሓይሉ ግና ኣይኰነን፡ መስተንክር ዝዀነ ጥፍኣት ክገብር እዩ። ክገብር ክሰልጦውን እዩ፡ ንሓያላትን ንህዝቢ ቅዱሳንን ድማ ከጥፍኦም እዩ።25ብጥበቡ ከኣ ምጥባር ኣብ ኢዱ ከስልጥ፡ ብልቡ ክዕበ፡ ብድንገት ንብዙሓት ከጥፍእ፡ አረ ነቲ መስፍን መሳፍንቲ ክትንስኦ እዩ፡ ግናኸ ብዘይ ኢድ ሰብ ክስበር እዩ።26እቲ ብዛዕባኡ እተዘርበ ናይ ምሸትን ብጊሓትን ራእይሲ ሓቂ እዩ። እዚ ራእይ ንርሑቕ ዘመን እዩ እሞ፡ ሕተሞ። 27ኣነ ዳንኤል ከኣ ዓወልኩ፡ ሓያሎ መዓልቲ ድማ ሓመምኩ፡ ደሓር ተንሳእኩ፡ ኣብ ዕዮ ንጉስውን ተጸመድኩ። በቲ ራእይ ከኣ እድነቕ ነበርኩ፡ ነዚ ዘስተብህል ግና ኣይነበረን።
ትን. ዳንኤል ምዕራፍ 9
1ኣብታ ቐዳመይቲ ዓመቱ ነቲ ካብ ዘርኢ ሜዶን ዝነበረ፡ ኣብ መንግስቲ ከለዳውያን ከኣ ንጉስ ዝዀነ ዳርዮስ ወዲ ኣሓሽዌሮስ፡2ኣብታ ቐዳመይቲ ዓመት መንግስቱ፡ ኣነ ዳንኤል ነቲ ብዛዕባኡ ቓል እግዚኣብሄር ንነብዪ ኤርምያስ እተዛረቦ ቝጽሪ ዘመናት ብመጻሕፍቲ ኣስተውዓልኩዎ፡ ማለት ምዕናው የሩሳሌም ብሰብዓ ዓመት ከም ዝፍጸም እዩ።3ብማቕን ብሓመዅስትን እናጾምኩ ኸኣ ብልማኖን ብምህለላን ገጸይ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ መለስኩ። 4ኣነ ድማ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ከምዚ ኢለ ለመንኩን ተናዘዝኩን፡ ዎ ጐይታይ፡ ኣታ ነቶም ዝፈትዉኻን ትእዛዛትካ ዝሕልዉንሲ ኪዳንን ምሕረትን እተጽንዓሎም ዓብዪን እትፍራህን ኣምላኽ፡5ንሕና ሓጢኣት ገበርና፡ ኣበስና፡ ረሲኣንን ዓለውትን ኰንና፡ ካብ ትእዛዛትካን ካብ ፍርድኻን ኣግለስና።6ነቶም ንነገስታትናን ንመሳፍንትናን ንቦታትናን ንዅሉ ህዝቢ ሃገርን ብስምካ እተዛረቡ ባሮትካ ነብያት ከኣ ኣይሰማዕናዮምን።7ጐይታየ፡ ንኣኻ ጽድቂ እዩ፡ ንኣና ግና፡ ነቶም ሰብ ይሁዳን ነቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነብሩን ነቶም ብሰሪ እታ ንኣኻ ዝጠለሙላ ጥልመት ኣብተን ዝሰጐግካዮም ኵለን ሃገራት ኣብ ቀረባን ርሑቕን ዘለዉ ኩሎም እስራኤል፡ ከምዚ ሎሚ ኮይንዎ ዘሎ ሕፍረት ገጽ እዩ።8እወ፡ ጐይታየ፡ በዲልናካ ኢና እሞ፡ ንኣና፡ ንነገስታትና፡ ንመሳፍንትና፡ ነቦታትናውን ሕፍረት ገጽ እዩ።9ንሕና ካብኡ ዓሊና ኢና እሞ፡ ምሕረትን ይቕሬታንሲ ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽና እዩ።10ንሕና ደሃይ እግዚኣብሄር ኣይሰማዕናን፡ በቲ ብባሮቱ ነብያት ገይሩ ኣብ ቅድሜና ዘንበሮ ሕጋጋቱ ኣይተመላለስናን።11ኵሉ እስራኤል ሕግኻ ኣፍረሰ፡ ደሃይካ ከይሰምዕ ኣግለሰ። በዲልናዮ ኢና እሞ፡ ስለዚ እቲ ብሕጊ ሙሴ ባርያ እግዚኣብሄር እተጻሕፈ መርገምን ማሕላን ወረደና።12ከምቲ ኣብ የሩሳሌም ዝወረደስ፡ ኣብ ትሕቲ ኩሉ ሰማይ ከቶ ከምኡ ኮይኑ ዘይፈልጥ ዓብዪ መዓት ናባና ብምውራዱ፡ ንሱ ነቲ ኣብ ልዕሌናን ኣብ ልዕሊ እቶም ዝፈርዱልና ፈራዶን ዝጠልቖ ቓል ኣጽንዖ።13ከምቲ ኣብ ሕጊ ሙሴ ተጽሒፉ ዘሎ፡ እዚ ኩሉ መዓት ወረደና ግናኸ ካብ ኣበሳና ክንምለስ፡ ናብ ሓቅኻ ድማ ከነቕልብ ኢልና እኳ ገጽ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኣይደለናን።14እግዚኣብሄር ኣምላኽና ብዝገብሮ ዘበለ ዅሉ ጻድቕ እዩ፡ ንሕና ግና ደሃዩ ኣይሰማዕናን። ስለዚ እግዚኣብሄር ነዚ መዓት እዚ ተግሃሉ፡ ኣብ ልዕሌናውን ኣውረዶ። 15ሕጂ ድማ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽና፡ ንህዝብኻ ካብ ሃገር ግብጺ ብብርትዕቲ ኢድ ዘውጻእካ፡ ከምዚ ሎሚ ዘሎውን ንኣኻ ስም ዘስሜኻ፡ ንሕና ኣበስና፡ እኩይ ገበርና።16ብሰሪ ሓጢኣትን ብሰሪ ኣበሳ ኣቦታትናን የሩሳሌምን ህዝብኻን መጻረፊ እቶም ኣብ ዙርያና ዘለዉ ኩሎም ኰይኖም እዮም እሞ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ከም ኵሉ ጽድቕኻ ጌርካ፡ ንቝጥዓኻን ነድርኻን ካብ ከተማኻ የሩሳሌም፡ እታ ቅድስቲ ደብርኻ፡ ከተምልስ እልምነካ ኣሎኹ።17ዎ ኣምላኽና፡ እምብኣርሲ ናይ ባርያኻ ጸሎትን ምህለላኡን ስማዕ፡ ስለ እግዚኣብሄር ኢልካውን ነታ ዝፈረሰት መቕደስካ ገጽካ ኣብርሃላ።18እቲ ኣብ ቅድሜኻ እነቕርቦ ዘሎና ምህለላስ ስለ ብዝሒ ምሕረትካ ኢና እምበር፡ ስለ ጽድቅና ኣይኰናን እሞ፡ ዎ ኣምላኸይ፡ እዝንኻ ኣድንን ስማዕ ከኣ፡ ኣዒንትኻ ቛሕ ኣብል እሞ ምዕናውናን ነታ ብስምካ እተሰምየት ከተማን ጠምት።19ጐይታየ፡ ስማዕ፡ ጐይታየ፡ ይቕረ በል፡ ጐይታየ ኣድህብ፡ ከተማኻን ህዝብኻን ብስምካ ተሰምዮም እዮም እሞ፡ ኣምላኸየ፡ ስለ ርእስኻ ኢልካ ግበር፡ ኣይትደንጕ። 20ክዛረብ፡ ክጽሊ፡ ሓጢኣተይን ሓጢኣት ህዝበይ እስራኤልን ክናዘዝ ከሎኹ፡ ስለ እታ ቅድስቲ ደብሪ ኣምላኸይ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ምህለላይ ከቕርብ ከሎኹ፡21ብጸሎት ገና ኽዛረብ ከሎኹ፡ ገብርኤል፡ እቲ ቕድም ብራእይ ርእየዮ ዝነበርኩ ሰብኣይ፡ ቀልጢፉ ነፊሩ ኣጋ ግዜ መስዋእቲ ምሸት ተንከየኒ።22መሃረኒ፡ ተዛረበኒ፡ በለውን፡ ዳንኤለየ፡ ኣነ ምስትውዓል ክምህረካ ኢለ ሕጂ ወጻእኩ።23ብመጀመርታ ምህለላኻ ቃል ወጸት። ንስኻ ኣዚኻ ፍትዊ ኢኻ እሞ፡ ክነግረካ ኢለ መጻእኩ። እምብኣርስ ነዚ ቓል እዚ ኣቕልበሉ፡ ነዚ ራእይውን ኣስተውዕሎ። 24ንዕልወት መወዳእታ ክግበሮ፡ ሓጢኣት ክውዳእ፡ ኣበሳ ክዕረቕ፡ ዘለኣለማዊ ጽድቂ ክኣቱ፡ ራእይን ትንቢትን ክሕተም፡ ናይ ቅዱሳን ቅዱስ ድማ ክቕባእሲ፡ ኣብ ህዝብኻን ኣብታ ቅድስቲ ከተማኻን ሰብዓ ሰሙን ተመዲቡ እዩ።25እምብኣርስ ፍለጥን ኣስተውዕልን፡ እቲ የሩሳሌም ክትሕደስን ክትህነጽን ዝብል ቃል ካብ ዝወጽእ ጀሚሩ ክሳዕ እቲ መሲህ፡ መስፍን፡ ሾብዓተ ሰሙን እየን። ድሕሪ ስሳን ክልተን ሰሙን ድማ፡ ግዜ ጸበባ ክነሱ፡ ንሱ ምስናይ ኣደባባይን መካበብያን ከም ብሓድሽ ክትህነጽ እያ። 26ድሕሪ ስሳን ክልተን ሰሙን ከኣ መሲህ ክቕተል እዩ፡ ንርእሱ ግና ኣይኰነን። ህዝቢ እቲ ዝመጽእ መስፍን ድማ ነታ ከተማን ነታ መቕደስን ከጥፍእ እዩ። መወዳእታ ጥፍኣታ ከኣ ከም ውሒዝ ክመጽእ እዩ፡ ውግእ ክሳዕ መወዳእታ ክኸውን፡ ጥፍኣታውን ምዱብ እዩ።27ንሱ ንሓደ ሰሙን ምስ ብዙሓት ጽኑዕ ኪዳን ክኣቱ እዩ። ኣብ ፈረቓ እታ ሰሙን ከኣ ነቲ መስዋእቲ ሕሩድን ነቲ መስዋእቲ ብልዕን ክውግድ እዩ። እቲ መጥፍኢ ድማ በኽናፍ ርኽሰት ክመጽእ እዩ፡ እዚ ኸኣ ክሳዕ እታ ምዱብ መፈጸምታ ኣብቲ መጥፍኢ ዝወርድ እዩ።
ትን. ዳንኤል ምዕራፍ 10
1ንቂሮስ ንጉስ ፋርስ ኣብታ ሳልሰይቲ ዓመቱ ነቲ ቤልጥሻጽር እተሰምየ ዳንኤል ነገር ተገልጸሉ፡ እቲ ነገር ከኣ ሓቂ እዩ፡ ስለ ዓብዪ መከራ ድማ እዩ። ንሱ ነቲ ነገር ኣቕለበሉ፡ ነቲ ራእይውን ኣስተውዓሎ። 2በቲ ግዜ እቲ ኣነ ዳንኤል ሰለሰተ ሰሙን ምሉእ ሓዚነ ነበርኩ።3እተን ሰለሰተ ሰሙን ክሳዕ ዝፍጸማ፡ ጥዑም መባልዕ ኣይበላዕኩን፡ ስጋን ወይንን ናብ ኣፈይ ኣየእቶኹን፡ ዘይቲውን ኣይተለኸኹን።4ኣብታ መጀመርያ ወርሒ ኣብ መበል ዕስራን ኣርባዕተን መዓልቲ ኣብ ወሰን እቲ ዓብዪ ርባ ሂዲቄል ነበርኩ።5ኣዒንተይ ቈላሕ ኣበልኩ እሞ ርኣኹ፡እንሆ ኸኣ፡ ካብ ልሕጺ እንጣጢዕ እተገብረ ዓለባ እተኸድነ ኣብ ሕቝኡ ድማ ጽሩይ ወርቂ ኡፋዝ እተቐነተ ሰብኣይ ነበረ።6ስጋኡ ከም በሪሎስ፡ ገጹ ከም ትርኢት መብረቕ፡ ኣዒንቱ ከም ዝነድድ ፋና፡ ቀላጽሙን ኣእጋሩን ከም ርሱን ኣስራዚ፡ ድምጺ ቓላቱ ድማ ከም ድምጺ ብዙሕ ህዝቢ ነበረ።7ነቲ ራእይ ኣነ ዳንኤል በይነይ እየ ዝርኣኽዎ፡ እቶም ምሳይ ዝነበሩ ሰባት ነቲ ራእይ ኣይረኣይዎን ዓብዪ ስምባድ ግና ወደቖም፡ ክሕብኡ ከኣ ሃደሙ።8ሽዑ በይነይ ተረፍኩ፡ ነዚ ዓብዪ ራእይ እዚ ኸኣ ርኣኹ፡ ሓይሊ ኣይተረፈንን፡ ሕብሪ ገጸይ ክሳዕ ዝበላሾ ተለወጠኒ፡ ሓይሊውን ኣይተረፈንን። 9ድምጺ ቓላቱ ሰማዕኩ፡ ድምጺ ቓላቱ ምስ ሰማዕኩ ኸኣ፡ ውኖይ ጠፊኡኒ፡ ብገጸይ ናብ ምድሪ ወደቕኩ።10እንሆ ኸኣ፡ ኢድ ተንከየትኒ፡ በብራኸይን ብግናዕ ኣእዳወይን ከኣ ኣተንስኣትኒ።11ንሱውን፡ ኣታ ዳንኤል፡ ኣዚኻ እተፈቶኻ ሰብ፡ ኣነ ሕጂ ናባኻ ተላኢኸ እየ እሞ፡ ነቲ ዝነግረካ ቓላት ኣስተውዕሎ፡ ቀጥ ኢልካ ድማ ደው በል፡ በለኒ። እዚ ቓል እዚ ምስ ተዛረበኒ፡ እናንቀጥቀጥኩ ደው በልኩ።12በለኒ ድማ፡ ዳንኤለየ፡ ካብታ ልብኻ ናብ ምስትውዓል ዘቕናዕካላ ርእስኻውን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽካ ዘትሓትካላ ቐዳመይቲ መዓልቲ ጀሚረን ቃላትካ ተሰሚዓን እየን እሞ፡ ኣይትሸበር፡ ምእንቲ እዘን ቃላትካ ኸኣ መጺአ እኔኹ።13እቲ መስፍን መንግስቲ ፋርስ ግና ዕስራን ሓደን መዓልቲ ተቓወመኒ። እንሆ ኸኣ፡ ሚካኤል፡ ካብቶም ኣውራታት መሳፍንትስ ሓደ፡ ንምሕጋዘይ መጸ፡ ኣነውን ኣብኡ ምስቶም ነገስታት ፋርስ ተረፍኩ።14እዚ ራእይ ንዳሕራይ ዘመን ዝኸውን እዩ እሞ፡ ኣነ ንህዝብኻ ኣብ መወዳእታ ዘመን ዝበጽሖም ከፍልጠካ መጺአ እኔኹ። 15እዚ ቓላት እዚ ምስ ነገረኒ፡ ገጸይ ናብ ምድሪ ኣድነንኩ ዓባስውን ኰንኩ።16-17እንሆ ከኣ፡ ወዲ ሰብ ዝመስል ከናፍረይ ተንከየኒ፡ ሽዑ ኣፈይ ከፊተ ተዛረብኩ፡ ነቲ ኣብ ቅድመይ ደው ኢሉ ዝነበረ ድማ፡ ጐይታየ፡ በቲ ዝርኣኽዎ ራእይሲ ሕማመይ ደጊሱኒ፡ ሓይሊ ኣይተረፈንን። ኣነስ ገለ ሓይሊ ኣይተረፈንን፡ ምስትንፋስ እኳ ስኢነ እየ እሞ፡ ባርያ እዚ ጐይታይሲ ከመይ ኢሉ ምስ እዚ ጐይታይ ክዛረብ ይከኣሎ፡ በልክዎ።18ሽዑ እቲ ሰብ ዝመስል ከም ብሓድሽ ተንከየኒ ኣበርትዓኒውን።19ንሱ ከኣ፡ ኣታ ኣዚኻ እተፈቶኻ ሰብ፡ ኣይትሸበር፡ ሰላም ንኣኻ ይኹን፡ በርትዕ፡ አረ በርትዕ፡ በለ። ምስ ተዛረበኒ፡ በርታዕኩ፡ ኣነውን፡ ጐይታየ፡ ኣበርቲዕካኒ ኢኻ እሞ፡ ተዛረብ፡ በልኩ።20ንሱ ድማ በለ፡ ኣነ ስለምንታይ ኢለ ናባኻ ከም ዝመጻእኩዶ ፈሊጥካ ኣሎኻ፡ ሕጂ ኸኣ ምስ መስፍን ፋርስ ክዋጋእ ክምለስ እየ። ኣነ ክወጽእ ከሎኹስ እንሆ፡ እቲ መስፍን ዮናኒ ክመጽእ እዩ።21ግናኸ እቲ ኣብ መጽሓፍ ሓቂ እተጻሕፈ እነግረካ ኣሎኹ፡ ብጀካ ሚካኤል: እቲ መስፍንኩም፡ ሓደ እኳ ዝሕግዘኒ የብለይን።
ትን. ዳንኤል ምዕራፍ 11
1ኣነ ከኣ በታ ቐዳመይቲ ዓመት ንዳርዮስ ሜዶናዊ ክሕግዞን ከጽንዖን ቈይመ ነበርኩ። 2ሕጂ ኸኣ ነቲ ሓቂ ከፍልጠካ እየ። እንሆ፡ ድሕርዚውን ኣብ ፋርስ ሰለስተ ነገስታት ክትንስኡ እዮም። እቲ ራብዓይ ድማ ካብ ኵላቶም ዝበለጸ ክህብትም እዩ። በቲ ሃብቱ ምስ በርትዓ ድማ፡ ንዅላቶም ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ዮናኒ ከተንስኦም እዩ።3ሽዑ ዓብዪ ግዝኣት ዝገዝእን ዝደለየ ዝገብርን ብርቱዕ ንጉስ ክትንስእ እዩ።4ንሱ ምስ ተንስአ ኸኣ፡ መንግስቱ ክትስበር፡ ክሳዕ ኣርባዕቲኡ ንፋሳት ሰማይ ድማ ክትመቓቐል እያ። መንግስቱ ክትፈርስ፡ ካብታቶም ናብ ካልኦት ክትሓልፍ እያ እሞ፡ ንዘርኡ ኣይክትከውንን እያ፡ ከምቲ ክገዝእ ከሎ ዝነበሮ ስልጣን ከኣ ኣይክህልዋን እዩ።5እቲ ንጉስ ደቡብ ክብርትዕ፡ ሓደ ካብ መሳፍንቱ ኸኣ ካብኡ ክብርትዕን ክገዝእን እዩ፡ ግዝኣቱውን ዓብዪ ግዝኣት ክኸውን እዩ።6ድሕሪ ቕሩብ ዓመታት ከኣ ክሓብሩ እዮም። እታ ጓል ንጉስ ደቡብ ድማ ከተሳማምዕ ኢላ ናብ ንጉስ ሰሜን ክትመጽእ፡ ግናኸ ሓይሊ ቕልጽማስ ኣይከተጽንዕን እያ። ንሱን ቅልጽሙን ከኣ ኣይክቐውምን እዩ። ንሳን እቶም ዘምጽእዋን እቲ ዝወለዳን እቲ በቲ ግዝያት ዝደገፋን ሓሊፎም ክወሃቡ እዮም። 7ካብ ሱራ ዝወጸ ውልዶ ግና ኣብታ ቦታኡ ክትንስእ እዩ፡ ንሱ ናብ ሰራዊት ክመጽእ፡ ናብ ዕርዲ ንጉስ ሰሜን ክኣቱ፡ ከም ዝደለየ ክገብሮምን ክስዕሮምን እዩ::8ንኣማልኽቶም፡ ምስናይ እቲ ፍሱስ ምስልታቶም፡ ምስቲ ክቡር ናይ ብሩርን ወርቅን ኣቓሑኦም ናብ ግብጺ ክማርኾም እዩ። ንሓያሎ ዓመታት ከኣ ምስ ንጉስ ሰሜን ከይተዋግአ ክቕመጥ እዩ።9ንሱ ድማ ናብ መንግስቱ ንጉስ ደቡብ ክመጽእ፡ ግናኸ ናብ ሃገሩ ክምለስ እዩ። 10ደቁ ኸኣ ንውግእ ክዳለዉ፡ ኣብዚሖም ዓብዪ ሰራዊት ክእክቡ እዮም። እቲ ሓደ ድማ ቀልጢፉ ክመጽእ፡ ከም ውሒዝ ውሒዙ ክሓልፍ፡ ክምለስ ድማ እዩ፡ ክሳዕ ዕርዱውን ክዋጋእ እዩ።11እቲ ንጉስ ደቡብ ከኣ ክምረር፡ ምስኡ፡ ምስቲ ንጉስ ሰሜን፡ ክዋጋእ ኢሉውን ክመጽእ እዩ። ንሱ ብዙሓት ከኽትት፡ እቶም ብዙሓት ግና ኣብ ኢዱ ክውሃቡ እዮም።12ነቶም ብዙሓት ክወስዶም፡ ልቡ ኸኣ ክዕበ፡ ኣእላፋትውን ከውድቕ እዩ። ግናኸ በዝስ ኣይክብርትዕን እዩ።13እቲ ንጉስ ሰሜን ክምለስ ብዙሕ ሰራዊትን ገንዘብን ሒዙ ክመጽእ እዩ።14በቲ ዘመን እቲ ንንጉስ ደቡብ ብዙሓት ክትንስእዎ እዮም። ካብ ማእከል ህዝብኻ ዓመጻኛታት ነቲ ራእይ ክፍጽሙልስ ልዕል ክብሉ፡ ግናኸ ክወድቁ እዮም።15እቲ ንጉስ ሰሜን ክመጽእ፡ ክቢ ክሰድሕ፡ ነታ ዕርድቲ ከተማ ኸኣ ክሕዛ እዩ። ቀላጽም ደቡብ ኣይክጸንዕን፡ እቶም ሕሩያት ህዝቡ ከኣ ንምቅዋም ዝኸውን ሓይሊ የብሎምን።16እቲ ዝመጾ ግና ከም ዝደለዮ ክገብር እዩ፡ ዝቃወሞ ከኣ ሓደ የልቦን። ንሱ ኣብታ ክብርቲ ሃገር ክቐውም፡ ኣብ ኢዱውን ጥፍኣት ክኸውን እዩ።17ምስ ሓይሊ ኩሉ መንግስቱ ክመጽእ፡ ክሰማማዕ ኢሉ ኸኣ ገጽ ክመልስ እዩ። ምእንቲ ከጥፍኣ፡ ጓል ኣንስተይቲ ክህቦ እዩ። ንሳ ኣይክትቀውምን፡ ንእኡውን ኣይክትከውንን እያ።18ድሕርዚ ገጹ ናብ ደሴታት ክመልስ፡ ካብኣተን ከኣ ብዙሓት ክወስድ እዩ። ሓደ መስፍን ግና ነቲ ጸርፉ ከትርፎ፡ አረ ናብ ርእሱ ክመልሰሉ እዩ።19ገጹ ናብ እምባ ሃገሩ ክመልስ፡ ክሕንኰልን ክወድቕን እዩ፡ ኣይክርከብን ከኣ እዩ። 20ሽዑ ኣብ ክንዳኡ ሓደ ካልእ ክትንስእ ኣብታ ክብርቲ መንግስቲ ኸኣ ንመጨነቒ ኣሕሊፉ ክሰዶ እዩ። ድሕሪ ቕሩብ መዓልትታት ግና ክጠፍእ፡ ብቝጥዓ ኣይኰነን፡ ብዅናትውን ኣይኰነን።21ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ክብሪ መንግስቲ ዘይሃብዎ ሓደ ንዑቕ ሰብ ክትንስእ እዩ፡ ቀስ ኢሉ ክመጽእ፡ ነታ መንግስቲ ድማ እናቃባጠረ ክሕዛ እዩ።22ብቐላጽም ውሒዝ ካብ ቅድሚኡ ክድምሰሱን ክስበሩን እዪም፡ አረ እቲ መስፍን ቃል ኪዳን እኳ ከይተረፈ።23ኪዳን ምስኡ ምስ ተኣታተወ ከኣ፡ ብተንኰል ክገብር እዩ። ክወጽእን ብሒደት ጭፍራ ክስዕርን እዩ።24ቀስ ኢሉ ናብተን ልምሉማት ቦታታት እታ ኣውራጃ ክኣቱ እዩ፡ እቶም ኣቦታቱ፡ አረ እቶም ኣቦታት ኣቦታቱ እኳ ከቶ ዘይገብርዎ ክገብር እዩ። ብዝበዛን ምርኮን ክህቅነለን እዩ፡ እዚውን ንቕሩብ ግዜ እዩ። 25ዓብዪ ሰራዊት ሒዙ ሓይሉን ትብዓቱን ኣብ ልዕሊ ንጉስ ደቡብ ከተንስእ እዩ። ንጉስ ደቡብ ከኣ ዓብይን ኣዝዩ ብርቱዕን ሰራዊት ሒዙ ንውግእ ክትንስእ፡ ግናኸ ምኽሪ ክጣበቡሉ እዮም እሞ፡ ኣይክቐውምን እዩ።26እቶም ኣብ መኣዱ ዝበልዑ ኸኣ ክጭፍልቕዎ እዮም፡ ሰራዊቱ ክውሕዝ እዩ፡ ብዙሓትውን ተወጊኦም ክወድቁ እዮም።27ክልቲኦም ነገስታት በብልቦም እከይ ክሓስቡ፡ ኣብ ሓንቲ መኣዲ ተቐሚጦም ከኣ ሓሶት ክዛረቡ እዮም። ግናኸ መወዳእታኡ ኣብታ ምድብቲ ዘመን እዩ ዝኸውን እሞ፡ ኣይክሰልጥን እዩ።28ብዙሕ ገንዘብ ሒዙ ናብ ሃገሩ ክምለስ፡ ልቡ ነቲ ቅዱስ ኪዳን ክህቅነሉ፡ ክገብር ከኣ እዩ እሞ ናብ ሃገሩ ክምለስ እዩ። 29በታ ምድብቲ ዘመን ተመሊሱ ናብ ደቡብ ክኸይድ፡ ግናኸ እቲ ዳሕራይ ግዜስ ከምቲ ቐዳማይ ኣይክኸውንን እዩ።30መራኽብ ካብ ኪቲም ክመጻኦ እየን እሞ፡ ክሽበርን ክምለስን እዩ፡ ኣብ ልዕሊ እታ ቅድስቲ ኪዳን ኩዅሪ ክገብርውን እዩ። ክምለስ፡ ነቶም ነታ ቅድስቲ ኪዳን ዝሓድግዋ ድማ ክሰምዖም እዩ።31ቀላጽሙ ኣብኡ ክቘሙ፡ ነታ መቕደስን ነቲ ዕርድን ከርክሱ: ነቲ ናይ ኩሉ መዓልቲ መስዋእቲ ክውግዱ፡ ነቲ ዘጥፍእ ፍንፉን ነገር ከኣ ከቝሙ እዮም።32ነቶም ነታ ኪዳን ብረሲእነት ዝበደሉስ እናቃባጠረ ከስሕቶም እዩ፡ እቲ ንኣምላኹ ዝፈልጥ ህዝቢ ግና ክብርትዕን ክገብርን እዩ።33እቶም ጠቢባን ህዝቢ ኸኣ ንብዙሓት ክምህሩ እዮም፡ ግናኸ ንቕሩብ ግዜ ብሰይፍን ብሃልሃልታ ብምርኮን ብበዝባዝን ክወድቁ እዮም።34ምስ ወደቑ ኸኣ ብቕሩብ ረድኤት ክርድኡ እዮም፡ ግናኸ ብዙሓት ብግብዝና ክሓብርዎም እዮም።35እዝስ በቲ ምዱብ ግዜ እዩ ዝኸውን እሞ፡ ካብቶም ጠቢባን ሓያሎ ክሳዕ ዘመን መወዳእታ ምእንቲ ክዅልዖምን ከጽርዮምን ከጻዕድዎምንሲ፡ ክወድቁ እዮም።36እቲ ምዱብ ነገር ክፍጸም እዩ እሞ፡ እቲ ንጉስ ከም ፍቓዱ ክገብርን ርእሱ ከልዕልን ኣብ ልዕሊ ኣምላኽ ዘበለ ክዕበን ኣብ ልዕሊ እቲ ኣምላኽ ኣማልኽቲ ድማ መስትንክር ክዛረብ እዩ። እቲ ቝጥዓ ክሳዕ ዝፍጸምሲ፡ ክሰልጠሉ እዩ።37ኣብ ልዕሊ ኩሉ ክዕበ እዩ እምበር፡ ንኣምላኽ ኣቦታቱ ኣይከቕልበሉን፡ ነቲ ሃረርታ ኣንስትን ንኣምላኽ ዘበለን ኣይከቕልበሎምን እዩ።38ኣብ ክንዳኡስ ነቲ ኣምላኽ ዕርድታት ከኽብር፡ ነቲ ኣቦታቱ ዘይፈልጥዎ ኣምላኽ ብወርቅን ብብሩርን ብኽቡር ኣእማንን ብዝኸበረ ኣቓሑን ከኽብሮ እዩ።39ነቲ ጽኑዕ ዕርድታት ብጓና ኣምላኽ ተሓጊዙ ከምዚ ክገብሮ እዩ፡ ነቶም ዝቕበልዎ ክብሪ ከብዝሓሎም፡ ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ከግዝኦም፡ ከም ዓስቢ ከኣ ነታ ምድሪ ክኸፋፍላ እዩ። 40ኣብ ዘመን መወዳእታ ግና እቲ ንጉስ ደቡብ ክገጥመሉ እዩ። እቲ ንጉስ ሰሜን ከኣ ብስረገላታትን በፍራስን ብብዙሕ መራኽብን ከም ህቦብላ ንፋስ ኰይኑ ክመጾ እዩ፡ ኣብተን ሃገራት ድማ ክኣቱን ክውሕዝን ክሓልፍን እዩ።41ናብታ ክብርቲ ሃገር ከኣ ክኣቱ እዩ፡ ብዙሓት ሃገር ድማ ክወድቁ እዮም። ግናኸ ኤዶምን ሞኣብን እቶም ኣውራታት ደቂ ዓሞንን ካብ ኢዱ ከምልጡ እዮም።42ኣብ ሃገራት ድማ ኢዱ ክዝርግሕ እዩ፡ ሃገር ግብጺውን ኣይከተምልጥን እያ።43ንሱ ኣብቲ መዛግብ ወርቅን ብሩርን ኣብ ኵሉ እቲ ክቡር ኣቓሑ ግብጽን ክስልጥን እዩ፡ ሊብያን ኢትዮጵያን ድማ ክስዕብዎ እዮም።44ግናኸ ካብ ምብራቕን ካብ ሰሜንን ዝመጽእ ወረ ከሸብሮ እዩ እሞ፡ ንብዙሓት ከጥፍእን ከጽንትን ኢሉ፡ ብዓብዪ ነድሪ ክወጽእ እዩ።45ንሱ ኣብ መንጎ ባሕርን ኣብ መንጎ እታ ክብርቲ ቅድስቲ ደብርን ድንኳናት ኣዳራሹ ክተክል እዩ። ግናኸ ናብ መወዳእታኡ ክበጽሕ እዩ፡ ዝረድኦ ከኣ የብሉን።
ትን. ዳንኤል ምዕራፍ 12
1በቲ ዘመንቲ ሚካኤል፡ እቲ ምእንቲ ደቂ ህዝብኻ ዝቐውም ዓብዪ መስፍን፡ ክትንስእ እዩ። ሽዑ ዘመን ጸበባ ክኸውን እዩ፡ ከምኡስ ካብታ ህዝቢ ዝሃለዉላ ጀሚሩ ክሳዕ እታ ግዜ እቲኣ ከቶ ኮይኑ ኣይፈልጥን። በታ ግዜ እቲኣስ ህዝብኻ፡ ኣብ መጽሓፍ ተጽሒፉ እተረኸበ ዘበለ፡ ክድሕን እዩ።2ካብቶም ኣብ መሬት ምድሪ ደቂሶም ዘለዉስ ብዙሓት፡ ገሊኦም ናብ ናይ ዘለኣለም ሕይወት፡ ገሊኦም ከኣ ናብ ሕፍረትን ናብ ናይ ዘለኣለም ነውርን ክበራበሩ እዮም።3እቶም ጠቢባን ከም ምንጽብራቕ ጠፈር፡ እቶም ንብዙሓት ናብ ጽድቂ ዝመርሑ ከኣ ከም ከዋኽብቲ ንዘለኣለም ኣለም ክበርሁ እዮም። 4ንስኻ ግና፡ ኣታ ዳንኤል፡ ክሳዕ ዘመን መወዳእታ ነዘን ቃላት እዚአን ዕጸወን፡ ነዛ መጽሓፍ እዚኣ ኸኣ ሕተማ። ብዙሓት ክምርምርዋ እዮም፡ ምስትውዓል ድማ እናወሰኸ ክኸይድ እዩ። 5ኣነ ዳንኤል ከኣ ጠመትኩ፡ እንሆውን፡ ክልተ ካልኦት፡ እቲ ሓደ ኣብ ክነጀው ገምገም ርባ፡ እቲ ካልኣይ ድማ ኣብ ክንየው ገምገም ርባ ደው ኢሎም ነበሩ።6ሓዲኦም ከኣ ነቲ ካብ ልሕጺ እንጣጢዕ እተገብረ ዓለባ እተኸድነ፡ ኣብ ልዕሊ ማይ እቲ ርባውን ደው ዝበለ ሰብኣይ፡ እዚ ዘስተንክር ነገር እዝስ መወዳእታኡ መኣዝ ክኸውን እዩ፡ ኢሉ ጠየቖ።7እቲ ካብ ልሕጺ እንጣጢዕ እተገብረ ዓለባ እተኸድነ፡ ኣብ ልዕሊ ማይ እቲ ርባውን ደው ዝበለ ሰብኣይ ንየማነይትን ጸጋመይትን ኣእዳዉ ናብ ሰማይ ኣቢሉ ኣልዓለ እሞ፡ ንዘመንን ዘመናትን ፈረቓ ዘመንን እዩ፡ እቲ ሓይሊ እቲ ቅዱስ ህዝቢ ጠሪሶም ምስ ሰበርዎ፡ ኵሉ እዚ ነገር እዚ ክፍጸም እዩ፡ ኢሉ በቲ ንዘለኣለም ህያው ኰይኑ ዝነብር ክምሕል ከሎ ሰማዕክዎ።8ኣነ ድማ ሰማዕኩ፡ ግናኸ ኣየስተውዓልኩን እሞ፡ ጐይታየ፡ መወዳእታ እዝስ እንታይ እዩ፡ በልኩ።9ንሱ ኸኣ በለ፡ ዳንኤል፡ እዚ ቓላት እዚ ክሳዕ ዘመን መወዳእታ ሕቡእን ሕቱምን እዩ እሞ፡ ኪድ ደኣ።10ብዙሓት ክጸርዩ፡ ክጽዕድዉ ክዅልዑውን እዮም፡ እቶም ረሲኣን ግና ረሲእነት ክገብሩ እዮም። እቶም ጠቢባን እዮም ዘስተውዕልዎ እምበር፡ ካብቶም ረሲኣንሲ ሓደ እኳ ኣይከስተውዕሎን እዩ።11ካብቲ ናይ ኵሉ መዓልቲ መስዋእቲ እተወገደሉን ዘጥፍእ ፍንፉን ነገር ዝቘመሉን ዘመን ጀሚሩ፡ ሽሕን ክልተ ሚእትን ተስዓን መዓልቲ እዩ።12እቲ ዝጽበን፡ ኣብተን ሽሕን ሰለስተ ሚእትን ሰላሳን ሓሙሽተን መዓልቲ ዝበጽሕን ብጹእ እዩ።13ንስኻ ግና ናብ መወዳእታ ኣቢልካ ኪድ። ክትዓርፍ፡ በቲ መወዳእታ መዓልትታት ከኣ ናብ ግዴኻ ክትትንስእ ኢኻ።