ትንቢት ኣሞጽ
1 2 3 4 5 6
7 8 9
ትን.ኣሞጽ ምዕራፍ 1
1ቃላት ኣሞጽ፡ እቲ ኻብ ጓሶት ተቆዓ ዝነበረ፡ ብዘመን ኡዝያ ንጉስ ይሁዳን ብዘመን የሮብዓም፡ ወዲ ዮኣስ ንጉስ እስራኤልን ቅድሚ እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኽልተ ዓመት ብዛዕባ እስራኤል ዝረኣዮ።
2በለውን፡ እግዚኣብሄር ካብ ጽዮን ይጓዝም፡ ካብ የሩሳሌም ከኣ ድምጺ የስምዕ። እቲ ጓሶት ዝጓስዩሉ ይሓዝን፡ ርእሲ ቀርሜሎስ ድማ ይነቅጽ።
3እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ንጊልዓድ ብሓጺን መኼዳ ኣኺዶምዋ እዮም እሞ፡ ስለ ሰለስተ ገበን ደማስቆ፡ ኤረ ስለ ኣርባዕተ እኳ ደኣ፡ መዓተይ ካብኣ ኣይክመልስን እየ።4ኣነ ናብ ቤት ሃዛኤል ሓዊ ኽሰድድ እየ፡ ንኣደራሻት ቤን ሃዳድ ከኣ ሞዅ ከብሎ እዩ። 5ንመሃርሃሪ ደማስቆ ኽሰብሮ፡ ነቶም ኣብኡ ዝነብሩ ድማ ካብ ለሰ ኣዌን፡ ነቲ ዘንጊ ዝሕዝ ከኣ ካብ ቤት ኤድን ከጽንቶም እየ፡ ህዝቢ ሶርያውን ተማሪኹ ናብ ቂር ክኸይድ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
6እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ናብ ኢድ ኤዶም ኣሕሊፎም ክህብዎምሲ፡ ንዅሎም ምርኮ ማሪኾምዎም እዩ እሞ፡ ስለ ሰለስተ ገበን ጋዛ፡ ኤረ ስለ ኣርባዕተ እኳ ደኣ፡ መዓተይ ካብኣ ኣይክመልስን እየ።7ኣነ ናብ ቀጽሪ ጋዛ ሓዊ ኽሰድድ እየ፡ ንኣደራሻታ ኸኣ ሞዅ ከብሎ እዩ።8ነቶም ኣብኡ ዝነብሩ ኻብ ኣሽዶድ፡ ነቲ ዘንጊ ዝሕዝ ድማ ካብ ኣስቃሎን ከጽንቶም እየ፡ ኢደይ ኣብ ልዕሊ ዔቅሮን ክመልስ እየ፡ እቶም ዝተረፉ ፍልስጥኤማውያን ከኣ ክጠፍኡ እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
9እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ነቶም ምሩኻት ብሙልኣቶም ናብ ኢድ ኤዶም ኣሕሊፎም ሂቦምዎም፡ ንኪዳን ኣሕዋት ከኣ ኣይዘከርዎን እሞ፡ ስለ ሰለስተ ገበን ጢሮስ፡ ኤረ ስለ ኣርባዕተ እኳ ደኣ መዓተይ ካብኣ ኣይክመልስን እየ።10ኣነ ናብ ቀጽሪ ጢሮስ ሓዊ ኽሰድድ እየ፡ ነቲ ኣደራሻታ ኸኣ ሞዅ ከብሎ እዩ።
11እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ንሓዉ ብሰይፊ ሰጒጕዎስ፡ ኵሉ ምሕረት ከኣ ዓጽዩ፡ ኵራኡ ድማ ኵሉ ግዜ ቐዳዲዱ፡ ነድሩውን ንሓዋሩ እዩ እሞ፡ ስለ ሰለስተ ገበን ኤዶም፡ ኤረ ስለ ኣርባዕተ እኳ ደኣ፡ መዓተይ ካብኣ ኣይክመልስን እየ።12ኣነ ናብ ቴማን ሓዊ ኽሰድድ እየ፡ ነቲ ኣደራሽ ቦጽራ ኸኣ ሞዅ ከብሎ እዩ።
13እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ዶቦም ምእንቲ ኸግፍሑስ፡ ነተን ጥኑሳት ጊልዓድ ከብደን ቀዲዶምወን እዮም እሞ፡ ስለ ሰለስተ ገበን ደቂ ዓሞን፡ ኤረ ስለ ኣርባዕተ እኳ ደኣ፡ መዓተይ ካብኣ ኣይክመልስን እየ።14ኣነ ኣብ ቀጽሪ ራባ ሓዊ ኽኣጉድ እየ፡ ነቲ ኣደራሻታ ኸኣ ብመዓልቲ ውግእ ኣብ ማእከል ጭድርታ፡ ብመዓልቲ ህውከት ኣብ ማእከል ህቦብላ ሞዅ ከብሎ እየ።15ንጉሶም ድማ፡ ንሱ ምስ መሳፍንቱ፡ ተማሪኹ ክኸይድ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
ትን.ኣሞጽ ምዕራፍ 2
1እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ነዕጽምቲ ንጉስ ኤዶም፡ ሓመዅስቲ ኽሳዕ ዝኸውን፡ ኣንዲድዎ እዩ እሞ፡ ስለ ሰለስተ ገበን ሞኣብ፡ ኤረ ስለ ኣርባዕተ እኳ ደኣ፡ መዓተይ ካብኣ ኣይክመልስን እየ።2ኣነ ናብ ሞኣብ ሓዊ ኽሰድድ እየ፡ ነቲ ኣደራሻት ቅርዮት ከኣ ሞዅ ከብሎ እዩ። ሞኣብ ድማ ብዕግርግርን ብጭድርታን ብደሃይ መለኸትን ክትመውት እያ።3ንፈራዲ ኻብ ማእከላ ኸጽንቶ፡ ንዅሎም መሳፍንታ ኸኣ ክቐትሎም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
4እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ንሕጊ እግዚኣብሄር ንዒቖምዎ፡ ንስርዓቱ ኸኣ ኣይሓለዉዎን፡ እቲ ኣቦታቶም ደድሕሪኡ ዝኸድዎ ሓሶቶም ኣስሒትዎም እዩ እሞ፡ ስለ ሰለስተ ገበን ይሁዳ፡ኤረ ስለ ኣርባዕተ እኳ ደኣ፡ መዓተይ ካብኣ ኣይክመልስን እየ።5ናብ ይሁዳ ሓዊ ኽሰድድ እየ፡ ነቲ ኣደራሻት የሩሳሌም ከኣ ሞዅ ከብሎ እዩ።
6እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ነቲ ጻድቕ ብብሩር፡ ነቲ ድኻ ኸኣ ብሓንቲ ጽምዲ ሳእኒ ሸይጦምዎ እዮም እሞ፡ ስለ ሰለስተ ገበን እስራኤል፡ ኤረ ስለ ኣርባዕተ እኳ ደኣ መዓተይ ካብኣ ኣይክመልስን እየ።7ኣብ ርእሲ ድኻታት ተጐጓ ምድሪ ኽርእዩ ይትምነዩ፡ ንመገዲ ትሑታት ይጠውይዎ፡ ነቲ ቅዱስ ስመይ ከርክስዎ ድማ፡ ሰብኣይን ኣቡኡን ናብ ሓንቲ ሰበይቲ ይኸዱ።8ኣብ ጥቓ ዅሉ መሰውኢታት ነቲ ብታሕዚ እተቐበልዎ ኽዳውንቲ ኣንጺፎም ይድቅሱ፡ ናይ ካሕሳ ወይኒ ድማ ኣብ ቤት ኣምላኾም ይሰትዩ።9ግናኸ ኣነ ነቲ ቑመት ኸም ቍመት ኦም ሊባኖስ፡ ምጽናዑ ድማ ኸም ኣውሒ ዝነበረ ኣሞራዊ ኣብ ቅድሚኦም ኣጥፋእክዎ። ንፍሬኡ ኻብ ላዕሊ፡ ንሰራውሩ ኸኣ ካብ ታሕቲ ኣጥፋእክዎ።10ካብ ሃገር ግብጺ ዘውጻእኩኹም ኣነ እየ፡ ሃገር ኣሞራዊ ኽትወርሱ ድማ፡ ኣብ በረኻ ኣርብዓ ዓመት መራሕኩኹም።11ካብ ደቅኹም ነብያት፡ ካብ ኣጕባዝኩም ከኣ ናዝራውያን ኣተንሳእኩ። ኣቱም ደቂ እስራኤል፡ ከምኡዶ ኣይኰነን፡ይብል እግዚኣብሄር።12ንስኻትኩም ግና ነቶም ናዝራውያን ወይኒ ኣስቴኹምዎም፡ ንነብያት ከኣ፡ ኣይትነበዩ ኢልኩም ኣዘዝኩምዎም።13ከምቲ እንዳእቲ ዝመልኤት ዓረብያ እትስግድ፡ እንሆ፡ ኣነ ኸስግደኩም እየ።14ጐያዪ ምህዳም ይስእን፡ እቲ ብርቱዕ ድማ ምብርታዑ ኣየበርትዖን፡ እቲ ጅግና ኸኣ ነፍሱ ኣየድሕንን።15ብዓል መንትግ ድማ ደው ኣይብልን፡ ብዓል ቅልጡፍ እግሪ ኸኣ ኣየምልጥን፡ ፈረሰኛውን ነፍሱ ኣየድሕንን።16በታ መዓልቲ እቲኣስ ካብቶም ጀጋኑ እቲ ኣዝዩ ተባዕ እኳ ጥራዩ ይሃድም፡ ይብል እግዚኣብሄር።
ትን.ኣሞጽ ምዕራፍ 3
1ኣቱም ደቂ እስራኤል፡ ነቲ ኣንጻርኩም፡ ኣንጻር እቲ ኣነ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻእክዎ ዅሉ ዓሌት፡ እዚ እግዚኣብሄር ዝዛረቦ ዘሎ ቓል፡ ስምዑ። ከምዚ ይብል ኣሎ፡2ኣነ ካብ ኵሎም ዓሌታት ምድሪ ንኣኻትኩም ንበይንኹም ፈለጥኩኹም፡ ስለዚ ብሰሪ ኣበሳኹም ክቐጽዓኩም እየ።3ክልተ ሰብ እንተ ዘይተሳማምዑስ፡ ብሓደዶ ይመላለሱ እዮም፡4ኣንበሳኸ ግዳይ እንተ ዘይብሉዶ ኣብ ዱር ይጓዝም እዩ፡ ሽደን ኣንበሳስ ገለ ኸይሓዘዶ ኻብ ጕድጓዱ የድሂ እዩ፡5ዑፍከ ዘፈንጥራ ኣብ ዘይብሉስ ኣብ ምድሪዶ ብመፈንጠራ ትተሓዝ እያ፡ መፈንጠራዶኸ ገለ ኸይሓዘ ኻብ ምድሪ ይለዓል እዩ፡6መለኸት ኣብ ከተማ ተነፊሑስ፡ ህዝቢዶ ኣይፈርህን እዩ፡ እግዚኣብሄር ከይገብሮኸ ንኸተማዶ ኽፉእ ይወርዳ እዩ፡7እግዚኣብሄር ኣምላኽሲ ምስጢሩ ንባሮቱ ነብያት ከይገለጸሎም፡ ገለ እኳ ኣይገብርን እዩ።8ኣንበሳ ጓዚሙስ መን እዩ ዘይፈርህ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ተዛሪቡኸ መን እዩ ዘይንበ፡
9ኣብ ኣዳራሻት እሽዶድን ኣብ ኣዳራሻት ሃገር ግብጽን ከኣ፡ ኣብ ርእሲ ኣኽራን ሰማርያ ተኣከቡ፡ ነቲ ኣብ ማእከላ ዘሎ ዓብዪ ዕግርግርን ነቲ ኣብ ውሽጣ ዘሎ ዓመጻን ጠምቱ፡ ኢልኩም ኣውጁ።10እቶም ኣብ ኣዳራሻቶም ዓመጻን ዘረፋን ዝድልቡ ቕኑዕ ምግባር ኣይፈልጡን እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር።11ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ጸላኢ ኣብ ዙርያ እታ ሃገር ኣሎ፡ ንሱ ንሓይልኺ ኻባኺ የውርድ፡ ኣዳራሻትኪውን ይብዝበዝ፡ ይብል ኣሎ።
12እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ጓሳ ካብ ኣፍ ኣንበሳ ኽልተ እግሪ ወይስ ሓንቲ ጭራም እዝኒ ኸም ዘድሕን፡ ከምኡ እቶም ኣብ ሰማርያ ኣብ ኵርናዕ ዓራትን ኣብ ምንጻፍ ደማስቆን ተቐሚጦም ዘለዉ ደቂ እስራኤል ክድሕኑ እዮም።13ስምዑ፡ ኣንጻር ቤት ያእቆብ ከኣ መስክሩ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ኣምላኽ ሰራዊት።14በታ ኣነ ንእስራኤል ብሰሪ ምግሃሱ ዝቐጽዓላ መዓልትስ ንመሰውኢታት ቤትኤልውን ክቐጽዖ እየ። እቲ ኣቕርንቲ መሰውኢ ክቝረጽን ኣብ ምድሪ ኽወድቕን እዩ።15ንቤት ክረምትን ንቤት ሓጋይን ክወቕዔን እየ፡ እቲ ብስኒ ሓርማዝ እተሰርሐ ኣባይቲ ኽጠፍእ፡ እቲ ዓበይቲ ኣባይቲውን ክድምሰስ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
ትን.ኣሞጽ ምዕራፍ 4
1ኣትን ኣብ ከረን ሰማርያ እትነብራ ኣሓ ባሳን፡ ንድኻታት እትጠቕዓ ንመስኪን ከኣ እተጨንቓ፡ ንጐይተትክን፡ ኣምጽኡ፡ ንስተ፡ እትብላ፡ እዚ ቓል እዚ ስምዓ፡2እግዚኣብሄር ኣምላኽ ብቕድስናኡ መሓለ፡ እንሆ፡ እተን ንስኻትክን ብዓንቃሪቦ፡ እቶም ካባኽን ዝተረፉ ድማ ብመቝለብ ዓሳ እትስሓባለን መዓልትታት ክመጻኽን እየን። 3ንስኻትክን ነፍሲ ወከፍክን በቲ ፍሩስ ትኽ ኢልክን ኣብ ቀቅድሜኽን ክትወጻ፡ ናብ ሃርሞን ከኣ ክትድርበያ ኢኽን፡ ይብል እግዚኣብሄር።
4ናብ ቤትኤል ንዑ እሞ ኣብሱ፡ ናብ ጊልጋልውን ኣበሳ ኣብዝሑ። ንግሆ መስዋእትኹም፡ ኣብ ሰሳልስቲ ኸኣ ዕሽርኩም ኣቕርቡ።5ኣቱም ደቂ እስራኤል፡ ከምዚ ኽትገብሩ ፈቲኹም ኢኹም እሞ፡ መስዋእቲ ምስጋና ኻብ ዝበኹዐ ኣቕርቡ፡ ናይ ፍቓድ ህያብ ከኣ ኣውጁ ኣውርዩውን፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
6ኣነ ድማ ኣብ ኵለን ከተማታትኩም ጽሩይ ስኒ ሃብኩኹም፡ ኣብ ኵለን ስፍራታትኩም ከኣ እንጌራ ኣስኣንኩኹም፡ ንስኻትኩም ግና ናባይ ኣይተመለስኩምን፡ ይብል እግዚኣብሄር።7ኣነውን ንዓጺድ ገና ሰለስተ ወርሒ ተሪፍዋ ኸሎ፡ ዝናም ከላእኩኹም። ኣብታ ሓንቲ ኸተማ ኣዝነምኩ፡ ኣብታ ሓንቲ ኸተማ ግና ኣየዝነምኩን። ኣብታ ሓንቲ ኽፍሊ ዘነመ፡ እታ ዘይዘነማ ኽፍሊ ሃጐጐት።8ክልተ፡ ሰለስተ ኸተማ ድማ ማይ ክሰትያ ናብ ሓንቲ ኸተማ ኸዳ እሞ ኣይረወያን። ንስኻትኩም ግና ናባይ ኣይተመለስኩምን፡ ይብል እግዚኣብሄር።
9ብሃጕን ብዋግን ወቓዕኩኹም፡ ነቲ ብዙሕ ኣታኽልትኹምን ኣታኽልቲ ወይንኹምን በለሳውትኹምን ኣዋልዕኩምን ኣንበጣ በልዖ። ንስኻትኩም ግና ናባይ ኣይተመለስኩምን፡ ይብል እግዚኣብሄር።10ኣነ፡ ከምቲ ኣብ ግብጺ ዝዀነ፡ ፌራ ሰደድኩልኩም፡ ነጕባዝኩም ብሰይፊ ቐተልክዎም፡ ነፍራስኩም ማረኽክዎም፡ ነቲ ናይ ሰፈርኩም ብድብድ ናብ ኣፍንጫኹም ኣደየብክዎ፡ ንስካትኩም ግና ናባይ ኣይተመለስኩምን፡ ይብል እግዚኣብሄር።11ከምቲ እግዚኣብሄር ንሶዶምን ጎሞራን ዝገልበጠን፡ ገልበጥኩኹም፡ ንስኻትኩም ከኣ ካብ ሓዊ ኸም እተመንጠለ እያድ ኰንኩም። ግናኸ ንስኻትኩምሲ ናባይ ኣይተመለስኩምን፡ ይብል እግዚኣብሄር።
12ስለዚ ኣታ እስራኤል፡ ከምዚ ኽገብረካ እየ። እዚ ኽገብረካ እየ እሞ፡ ኣታ እስራኤል፡ ንኣምላኽካ ኽትቃባበል ተዳሎ።13እንሆ፡ እቲ ኣኽራን ዝሰርሕ፡ ንፋስ ከኣ ዝፈጥር፡ ንሰብ ድማ ሓሳቡ እንታይ ከም ዝዀነ ዝፈልጥ፡ እቲ ንወጋሕታ ጸልማት ዝገብር፡ ኣብቲ ልዕል ዝበለ ቦታታት ምድሪውን ዝረግጽ፡ ስሙ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት እዩ።
ትን.ኣሞጽ ምዕራፍ 5
1ኣቱም ቤት እስራኤል፡ እዚ ኣብ ልዕልኹም ዝቝዝሞ ዘሎኹ ቓል ስምዑ፡2እታ ድንግል እስራኤል ወዲቓ፡ ደጊም ኣይትትንስእን፡ ኣብ ምድሪ ጻሕ ኢላ ኣላ፡ ዘተንስኣ ድማ የልቦን።3ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ እታ ሽሕ ዝወጽዋ ኸተማ ሚእቲ ይተርፍዋ፡ እታ ሚእቲ ዝወጽዋ ኸኣ ንቤት እስራኤል ዓሰርተ ይተርፍዋ ይብል ኣሎ።
4ስለዚ እግዚኣብሄር ንቤት እስራኤል ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ድለዪኒ እሞ ብህይወት ክትነብሩ ኢኹም።5ጊልጋል ብርግጽ ክትማረኽ፡ ቤትኤል ድማ ከንቱ ኽትከውን እያ እሞ፡ ንቤትኤል ኣይትድለዩ፡ ናብ ጊልጋል ከኣ ኣይትእተዉ፡ ናብ ብኤርሸባዕውን ኣይትሕለፉ።6ከም ሓዊ ዀይኑ ናብ ቤት ዮሴፍ ህሩጕ ከይብል፡ ኣብ ቤትኤል ዘጥፍኦ ተሳኢኑ ኸኣ ሞዅ ከየብሎስ፡ ንእግዚኣብሄር ድለዩ፡ብህይወት ድማ ክትነብሩ ኢኹም፡7ኣቱም ንፍርዲ ናብ ዕረ እትልውጥዎ፡ንጽድቂ ኸኣ ናብ ምድሪ እትድርብይዎ፡8-9እቲ ንሾብዓተ ኸዋኽብትን ንኦርዮንን ዝገበረ፡ ንድነ ሞት ናብ ወጋሕታ ዝልውጦ ንመዓልቲ ኸኣ ግብ ዝበለ ለይቲ ዝገብሮ፡ ንማያት ባሕሪ ዝጽውዖ፡ ናብ ልዕሊ ገጽ ምድሪ ድማ ዝኸዕዎ፡ ኣብ ልዕሊ ዕርዲ ጥፍኣት ክመጽእስ፡ ነቲ ሓያል ብድንገት ጥፍኣት ዘውርደሉ፡ ስሙ እግዚኣብሄር እዩ እሞ ድለይዎ።
10ነቲ ኣብ ደገ ዝገንሕ ይጸልእዎ፡ ነቲ ብቕንዕና ዝዛረብ ከኣ ይፍንፍንዎ።11ንድኻ ስለ ዝረገጽኩምዎ፡ ነቲ ተሰኪምዎ ዝነበረ ስርናይ ከኣ ስለ ዘግደፍኩምዎ፡ ብጽሩብ ኣእማን ኣባይቲ ሰራሕኩም፡ ኣይክትነብርዎን ከኣ ኢኹም፡ ዘብህግ ኣታኽልቲ ወይኒ ተኸልኩም፡ወይኑ ድማ ኣይክትሰትዩን ኢኹም።12ኣነስ ግህሰትኩም ብዙሕ፡ ሓጢኣትኩም ከኣ ብርቱዕ ከም ዝዀነ እፈልጥ እየ። ነቲ ጻድቕ ተጻብቡሉ፡ ደርሆ ትቕበሉ፡ ነቲ መስኪን ኣብ ደገ ትገፍዕዎ ኣሎኹም።13ኽፉእ ዘመን እዩ እሞ፡ ስለዚ እቲ ለባም በዚ ኸምዚ ዘመሰለ ዘመን ስቕ ይበል።
14ብህይወት ክትነብሩስ፡ ሰናይ ድለዩ፡ እከይ ኣይኰነን። ከምኡ ኸኣ፡ ከምቲ ዝበልኩምዎ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት ምሳኻትኩም ኽኸውን እዩ። 15እከይ ጽልኡ፡ ሰናይ ከኣ ኣፍቕሩ፡ ኣብ ደገውን ፍርዲ ኣጽንዑ፡ ምናልባሽ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት ነቲ ኻብ ዮሴፍ ዝተረፈ ኽርሕርሓሉ እዩ።16ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት፡ እቲ ጐይታ፡ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኣብ ኵሉ ኣደባባያት ክቝዘም፡ ኣብ ኵሉ መገድታት ከኣ ዋይዋይ ክበሃል እዩ ንሓረስታይ ናብ ሓዘን ነቶም መልቀስ ዝኽእሉ ኸኣ ናብ ብኽያት ክጽውዕዎም እዮም።17ብማእከልካ ኽሓልፍ እየ እሞ፡ ኣብ ኵሉ ኣታኽልቲ ወይኒ ብኽያት ክኸውን እዩ፡ ይብል ኣግዚኣብሄር።
18ኣቱም ንመዓልቲ እግዚኣብሄር እትደልዩ፡ ወይለኹም። መዓልቲ እግዚኣብሄር እንታይ ትጠቕመኩም፡ ንሳስ ጸልማት እያ፡ ብርሃን ኣይኰነትን። 19ከምቲ ኻብ ቅድሚ ኣንበሳ ዝሃድም እሞ ድቢ ዘጓንፎ፡ ከምቲ ናብ ቤት ኣትዩ ኢዱ ኣብ መንደቕ ዘጸግዕ እሞ ተመን ዝነኽሶ፡ 20መዓልቲ እግዚኣብሄር ጸልማትን ብርሃን ዘይብላንዶ ኣይኰነትን፡ ድቕድቕ ጸልማትን ምንጽብራቕ ዘይብላንዶኸ ኣይኰነትን፡ 21ንበዓላትኩም ጸላእኩን ነዓቕኩን፡ ንኣኼባ በዓላትኩም ድማ ኣይሽትቶን። 22መስዋእቲ ምሕራርን መስዋእቲ ብልዕኹምን እንተ ኣቕረብኩምለይ እኳ፡ ኣይክቕበሎን እየ፡ ነቲ ናይ ስቡሕ ከብቲኹም መስዋእቲ ምስጋናውን ቍሊሕ ኣይክብሎን እየ። 23ደሃይ ቅኔታትካ ኻባይ ኣርሕቕ፡ ቃና መሰንቆታትካ ኸኣ ኣይሰምዕን እየ:: 24ግናኸ ፍርዲ ኸም ማያት ፡ ጽድቂ ድማ ከም ዘይነጽፍ ርባ ይውሓዝ። 25ኣቱም ቤት እስራኤል፡ አርብዓ ዓመት ኣብ በረኻስ መስዋእቲ ሕሩድን መስዋእቲ ብልዕንዶ ኣቕሪብኩምለይ ኢኹም፡ 26ነቲ ድንኳን ሞሎኽኩምን ንምስልታት ጣኦታትኩምን ነቲ ንርእስኹም ዝገበርኩምዎ ኰዀብ ኣምላኽኩምን ተሰከምኩም።27ስለዚ ንኽንየው ደማስቆ ኸማርኽኩም እየ፡ ይብል እቲ ኣምላኽ ሰራዊት ዝስሙ እግዚአብሄር።
ትን.ኣሞጽ ምዕራፍ 6
1እቶም ኣብ ጽዮን ሃዲኦም፡ ኣብ ከረን ሰማርያ ድማ ተኣሚኖም ዝነብሩ፡ ቤት እስራኤል ከኣ ዝኸድዎም ስሙያት ሓላቑ ኣህዛብ ወይለኦም። 2ናብ ካልነ ሕለፉን ጠምቱን፡ ካብኡ ድማ ናብታ ዓባይ ሃማት ኪዱ፡ ናብታ ናይ ፍልስጥኤማውያን ጋት ከኣ ውረዱ። ንሳተንዶ ኻብዘን መንግስትታት እዚአን ይበልጻ እየን፡ ወይስ ዶበንዶ ኻብ ዶብኩም ይገፍሕ እዩ፡ 3ንስኻትኩም ነታ ሕስምቲ መዓልቲ እተርሕቑ፡ ነታ መንበር ዓመጻ ኸኣ እተቕርቡ ኢኹም። 4ኣብ ዓራት ስኒ ሓርማዝ ዝግምሰሱ፡ ኣብ መንጽፎም፡ ድማ ዝጋደሙ፡ ካብ መጓሰ ኣባጊዕ ጥቦታውቲ፡ ካብ ደምበ ኣሓውን ኣባትይ ዝበልዑ፡ 5ብደሃይ መሰንቆ ዝደርፉ፡ ከም ዳዊት ድማ መሳርያ ሙዚክ ዘዳልዉ፡6ብገፊሕ ዋንጫ ወይኒ ዝሰትዩ፡ ብሉጽ መኣዛ ኸኣ ዝልከዩ፡ ብስብራት ዮሴፍ ግና ዘይጕህዩ እዮም።7ስለዚ ሕጂ ምስቶም ቅድም ዝማረኹ ኽማረኹ እዮም፡ወኻዕታ እቶም ኣብ መኣዲ እተጋደሙ ድማ ክውዳእ እዩ።
8እግዚአብሄር ኣምላኽ ብርእሱ፡ ይብል እግዝአብሄር ኣምላኽ ሰራዊት፡ ኣነ ንትዕቢት ያእቆብ ፈንፈንኩ፡ ኣዳራሻቱ ኸኣ ጸላእኩ፡ ነታ ኸተማውን ምስናይ እቶም ኣብኣ ዝነብሩ ኵላቶም ኣሕሊፈ ኽህባ እየ።9ክኸውን ድማ እዩ፡ ኣብ ሓንቲ ቤት ዓሰርተ ሰብ እኳ እንተ ተረፉ፡ ክሞቱ እዮም። 10ዘመዱ ምስቲ መንደዲ ነቲ ኣዕጽምቲ ኻብ ቤት ኸውጽኦስ፡ እንተአልዓሎ እሞ፡ ነቲ ኣብ ውሽጢ ቤት ዘሎ፡ ገናዶ ገለ ሰብ ምሳኻ ኣሎ፡ እንተ በሎ፡ ንሱ ኸአ፡ ሓደ እኳ የልቦን፡ ኢሉ ይመልሰሉ፡ እቲ ድማ ስም እግዚአብሄር ክንሰሚ ኣይግብኣናን እዩ እሞ፡ ስቕ በል፡ ይብሎ። 11እንሆ እግዚአብሄር ይእዝዝ ኣሎ እሞ፡ እታ ዓባይ ቤት ኽትፈርስ፡ እታ ንእሽቶ ቤት ከኣ ክትጭፍለቕስ ክውቕዓ እየን። 12ንፍርዲ ናብ መርዚ፡ ንፍረ ጽድቂ ድማ ናብ ዕረ ለዊጥኩምዎ ኢኹም እሞ፡ አፍራስዶ ኣብ ልዕሊ ኸውሒ ይጎዩ እዮም፡ ወይስ ኣብዑርዶ ኣብአ ይሕረሱ እዮም፡13ንስኻትኩም ብኸንቱ ነገር እትሕጎሱ። ብሓይልናዶ ኣይኰንናን አቕርንቲ ዝወሰድና፡ እትብሉ ዘለዀም፡ 14ኣቱም ቤት እስራኤል፡ ስለዚ እንሆ፡ ህዝቢ ኸተንስእልኩም እየ፡ ንሳቶም ከኣ ካብቲ መእተዊ ሃማት ኽሳዕ እቲ ውሒዝ ኣርባህ ከጨንቑኹም እዮም፡ ይብል እግዚአብሄር ኣምላኽ ሰራዊት።
ትን.ኣሞጽ ምዕራፍ 7
1እግዚኣብሄር ኣምላኽ እዚ ኣርኣየኒ፡ እንሆ፡ ንሱ ኣብ መጀመርታ እቲ ዳሕራይ ምጥጣዕ ኣንበጣ ፈጠረ። እንሆ ኸኣ፡ እቲ ዳሕራይ ጠጥዒ ድሕሪ ዓጺድ ንጉስ ነበረ።2ኰነ ድማ፡ ነቲ ሳዕሪ ምድሪ ብጥራስ ምስ በልዖ፡ ኣነ፡ ኣታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ያእቆብሲ ንእሽቶ እዩ እሞ፡ ከመይ ጌሩ ክቐውም እዩ፡ በጃኻ ይቕረ በል፡ በልኩ።3እግዚኣብሄር በዚ ተጣዕሰ። እግዚኣብሄር፡ እዝስ ኣይከውንን እዩ፡ በለ።
4እግዚኣብሄር ኣምላኽ እዚ ኣርኣየኒ፡ እንሆ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ብሓዊ ክቐጽዕስ ጸውዐ፡ ነቲ ዓብዪ ዓሚቝ ሞዅ ኣበሎ፡ ነቲ ግደ ኸኣ በልዖ።5ኣነ ድማ፡ ኣታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ያእቆብሲ ንእሽቶ እዩ እሞ፡ ከመይ ጌሩ ክቐውም እዩ፡ በጃኻ ሕደግ፡በልኩ።6እግዚኣብሄር በዚ ተጣዕሰ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ እዚውን ኣይክኸውንን እዩ፡ በለ።
7ንሱ እዚ ኣርኣየኒ፡ እንሆ፡ እግዚኣብሄር መለክዒ መንደቕ ኣብ ኢዱ ሒዙ፡ ኣብ ልኩዕ መንደቕ ደው ኢሉ ነበረ።8እግዚኣብሄር ድማ፡ ኣታ ኣሞጽ፡ እንታይ ትርኢ ኣሎኻ፡በለኒ።ኣነ ኸኣ፡ ሓደ መለክዒ መንደቕ በልኩ። እግዚኣብሄር ድማ፡ እንሆ፡ኣነ ንመለክዒ መንደቕ ኣብ ማእከል ህዝበይ እስራኤል ከንብሮ እየ፡ደጊም ድሕርዚ ኣይክሓልፎምን እየ።9እቲ በረኽቲ ቦታ ይስሃቅ ክዖኑ፡ እቲ መቓድስ እስራኤል ከኣ ክፈርስ እዩ፡ ኣነውን ሰይፊ ሒዘ ንቤት የሮብዓም ክትንስኦ እየ፡ በለ።
10-11ሽዑ ኣማስያ ካህን ቤትኤል ናብ የሮብዓም ንጉስ እስራኤል ከምዚ ኢሉ ለኣኸ፡ ኣሞጽ ኣብ ማእከል ቤት እስራኤል ተማሓሒሉልካ ኣሎ። ንሱ፡ የሮብዓም ብሰይፊ ኽመውት፡ እስራኤልውን ካብ ሃገሩ ክማረኽ እዩ፡ እዩ እሞ፡ እታ ሃገር ንዅሉ ቓላቱ ምጽዋር ስኢናቶ ኣላ።12ኣማስያስ ድማ ንኣሞጽ፡ ኣታ ነብዪ፡ ኪድ፡ ናብ ሃገር ይሁዳ ህደም፡ ኣብኣ ኸኣ እንጌራኻ ብላዕ፡ ኣብኣውን ተነበ፡13ቤትኤል ግና መቕደስ ንጉስን ቤተ መንግስትን እያ እሞ፡ ደጊም ድሕርዚ ኣብኣ ኣይትነበ፡ በሎ።14ኣሞጽ ከኣ ንኣማስያ መለሰሉ በሎውን፡ ኣነስ ጓሳ ኣሓን ኣራይ ዳዕሮን ነበርኩ እምበር፡ ነብዪ ወይስ ወዲ ነብዪ ኣይኰንኩን።15መጓሰ ኣባጊዕ ክኽብክብ ከሎኹ፡ እግዚኣብሄር ወሰደኒ፡ ኪድ እሞ ንህዝበይ እስራኤል ተነበየሉ፡ በለኒ።16እምብኣርሲ ቓል እግዚኣብሄር ስማዕ፡ ንስኻ፡ ኣንጻር እስራኤል ኣይተነበ፡ ኣንጻር ቤት ይስሃቅውን ኣይተንጠብጥብ፡ ትብል ኣሎኻ።17ስለዚ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ሰበይትኻ ኣብታ ኸተማ ኣመንዝራ ኽትከውን እያ፡ ኣወዳትካን ኣዋልድካን ከኣ ብሰይፊ ኽወድቁ እዮም፡ ምድርኻ ድማ ብገመድ ክትምቀል ኣያ፡ ንስኻውን ኣብ ርኽስቲ ሃገር ክትመውት ኢኻ፡ እስራኤል ከኣ ብርግጽ ካብ ሃገሩ ክማረኽ እዩ።
ትን.ኣሞጽ ምዕራፍ 8
1ኣምላኽ እዚ ኣርኣየኒ፡ እንሆ፡ኸኣ ብሱል ፍረ ዝመልኤ ኸፈር።2ንሱ ኸኣ፡ ኣሞጽ እንታይ ትርኢ ኣሎኻ፡ በለ፡ ኣነ ድማ፡ ብሱል ፍረ ዝመልአ ኸፈር፡በልኩ። እግዚኣብሄርውን፡ ንህዝበይ እስራኤል መወዳእታ መጾም፡ደጊም ድሕርዚ ኣይክሓልፎምን እየ፡ በለኒ።3በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ መዝሙር ኣዳራሽሲ ብኽያት ይኸውን፡ ሬሳታት ይበዝሑ፡ ኣብ ኵሉ ቦታ ድማ ብስቕታ ይድርበዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።
4-6ኣቱም ኤፋ እናኣንኣስና፡ ሲቃል እናወሰኽና: ብሓሳዊ ሚዛን እናጠበርና፡ እኽሊ ኽንሸይጥሲ፡ ሰርቂ ወርሒ መኣዝ ኰን ይሓልፍ፡ ቆፎ ስርናይ ክንከፍትከ፡ሰንበት መኣዝ ኰን ትሓልፍ፡ ነቲ ድኻ ብብሩር፡ነቲ መስኪንከ ኣብ ሓንቲ ጽምዲ ሳእኒ ኽንሻየጦ፡ ጕርዲ ስርናይውን ክንሸይጥ ኢና፡እትብሉ፡ንስኻትኩም ነቲ መስኪን ክትውሕጥዎ፡ነቶም ሽጉራት እታ ሃገርውን ከተጥፍኡ እትደልዩ፡ እዚ ምስ ሰምዑ።7እግዚኣብሄር፡ ኣነ ንዅሉ ግብሮም ከቶ ኣይርስዖን እየ፡ ኢሉ ብኽብሪ ያእቆብ መሓለ።8እታ ሃገር በዚ ምኽንያት ኣዚዶ ኣይተንቀጥቅጥን፡ እቶም ኣብኡ ዝነብሩ ኵላቶም ከኣ ይሓዝኑንዶ፡ ንሳ ብዘላ ኸምቲ ወሓዚ ኽትለዓል፡ከምቲ ርባ ግብጺ ድማ በለቕበለቕ ክትብልን ለጠቕ ክትብልን እያ።9በታ መዓልቲ ኣቲኣ ድማ ክኸውን እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ቀትሪ ኸሎ ንጸሓይ ከዕርባ፡ ኣብ ድሙቕ መዓልቲውን ንምድሪ ኸጸልምታ እየ።10ንበዓላትኩም ድማ ናብ ሓዘን፡ ንዅሉ መዛሙርኩም ከኣ ናብ ቍዝማ ኽልውጦ እየ: ኵሉ ጐድኒ ኸሊ ኸም ዝኽደን፡ ኵሉ ርእሲ ድማ ከም ዝላጸ ኽገብር እየ። ከም ሓዘን ብሓደ ውሉድን መወዳእታኡውን ከም መራር መዓልትን ክገብር እየ።
11እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እንሆ፡ ኣነ ናብታ ሃገር ጥሜት ዝሰደለን መዓልትታት ክመጻ እየን። ንምስማዕ ቃል እግዚኣብሄር እምበር፡ ጥሜት እንጌራን ጽምኢ ማይን ኣይኰነን።12ካብ ባሕሪ ናብ ባሕሪ፡ ካብ ሰሜን ናብ ምብራቕ ይዅብልሉ፡ቃል እግዚኣብሄር ክደልዩስ ናብዝን ናብትን ይጐዩ፡ ኣይረኽብዎን ከኣ።13በታ መዓልቲ እቲኣ እተን ጽቡቓት ደናግልን እቶም ኣጕባዝን ብጽምኢ የሕለልዉ።14እቶም ብሓጢኣት ሰማርያ ዝምሕሉ እሞ፡ ኣታ ዳን፡ ኣምላኽካ ህያው እዩ፡ መገዲ ብኤርሸባዕ ከኣ ህያው እዩ፡ ዝብሉ ይወድቁ፡ መሊሶምውን ኣይትንስኡን።
ትን.ኣሞጽ ምዕራፍ 9
1እግዚኣብሄር ኣብ መሰውኢ ደው ኢሉ ርኤኽዎ፡ በለውን፡ ነቲ ጕልላት ውቕዓዮ፡ እቲ ልዳውቲ ኸኣ ይናቓነቕ፡ ኣብ ርእሲ ዅላቶም ሰባብሮ፡ ነቶም ካብኦም ዝተረፉ ኸኣ ብሰይፊ ክቐትሎም እየ። ካብኦም ሓደ እኳ ኣይክሃድምን እዩ፡ ካብኦምሲ ሓደ እኳ ኣይከምልጥን እዩ።2ኵዒቶም እኳ ናብ ሲኦል ኣንተ ኣተዉ፡ ካብኡ ኢደይ ከተውጽኦም እያ። ናብ ሰማይ እንተ ደየቡውን፡ ካብኡ ኣነ ኸውርዶም እየ።3ኣብ ርእሲ ቀርሜሎስ እኳ እንተ ተሓብኡ፡ ኣነ ደልየ ኻብኡ ኸውጽኦም እየ፡ ካብ ኣዒንተይ ናብ መዓሙቝ ባሕሪ እንተ ተሓብኡ፡ ኣብኡ ንተመን ክእዝዞ እየ፡ ክነኽሶም ከኣ እዩ።4ኣብ ቅድሚ ጸላእቶም ተማሪኾም እንተ ኸዱ እኳ፡ ናብኡ ንሰይፊ ኽእዝዞ እየ፡ ክቐትሎም ድማ እዩ ንሰናይ ዘይኰነስ ንሕሰም ኣዒንተይ ናብኦም ከጠምተን ኣየ።
5ንምድሪ ዝትንክያ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት እዩ፡ ንሳ ኸኣ ትመክኽ፡ እቶም ኣባኣ ዝነብሩ ዅላቶም ድማ ክሓዝኑ እዮም። ንሳ ብዘላ ኸምቲ ወሓዚ ኽትለዓል፡ ከምቲ ርባ ግብጺ ድማ ለጠቕ ክትብል እያ። 6እቲ ኣደራሻቱ ኣብ ሰማይ ዝሰርሐ፡ ጠፈሩ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ዝሰረተ፡ ንማያት ባሕሪ ዝጽውዕ፡ ናብ ልዕሊ ገጽ ምድሪ ድማ ዝኽዕዎ፡ ስሙ እግዚኣብሄር እዩ። 7ኣቱም ደቂ እስራኤል፡ ንስኻትኩም ንኣይ ከም ደቂ ኢትዮጵያውያንዶ ኣይኰንኩምን፡ ይብል እግዚኣብሄር ንእስራኤል ካብ ሃገር ግብጺ፡ ንፍልስጥኤማውያን ድማ ካብ ካፍቶር፡ንሶርያውያን ከኣ ካብ ደቂ ቂርኣነዶ ኣይኰንኩን ዘውጻእክዎም፡ 8እንሆ፡ ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ እታ ሓጥእ መንግስቲ እየን፡ ካብ ገጽ ምድሪ ኸኣ ከጥፍኣ እየ፡ ግናኸ ንቤት ያእቆብ ብጥራስ ኣይከጥፍኣን እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር። 9እንሆ፡ ኣነ ኽእዝዝ፡ ንቤት እስራኤል ከኣ ከምቲ ብሚሐ ዝሕሐ ስርናይ ኣብ ማእከል ኵሎም ህዝብታት ክንዝንዛ እየ፡ ሓንቲ ስርናይውን ኣብ ምድሪ ኣይክትወድቕን እያ። 10እቶም ሕሰም ኣይከርክበናን ኣይክበጽሓናን ከኣ እዩ፡ ዝብሉ ዅሎም ሓጥኣን ህዝበይ ብሰይፊ ኽሞቱ እዮም።
11-12በታ መዓልቲ እቲኣ ነታ ዝወደቐት ድንኳን ዳዊት ከልዕላ፡ ነቓዓታ ኸኣ ከጣጥእ እየ፡ ነቶም ካብ ኤዶም ዝተረፉን ነቶም ብስመይ እተሰምዩ ዅሎም ህዝብታትን ክወርሱስ፡ ንዑናኣ ኸልዕሎ፡ ከምቲ ብዘመን ጥንቲ ዝነበረቶ ገይረ ኸኣ ክሃንጻ እየ፡ ይብል እቲ ነዚ ዝገብር እግዚኣብሄር።
13እግዚኣብሄር ይብል ኣሎ፡እንሆ፡ እቲ ሓረስታይ ንዓጻዳይ፡ እቲ ጸማቝ ወይኒ ድማ ነቲ ዘራኢ ዘርክበሉ መዓልታት ክመጻ እየን። ኣኽራን ከኣ ኵልዒ ወይኒ ኸንጠብጥብ፡ ዅሉ ዅድዅዶታት ድማ ክመክኽ እዩ። 14ኣነ ኸኣ ንህዝበይ እስራኤል ካብ ምርኮ ኽመልሶ እየ፡ ንሳቶም ድማ ነተን ዝባደማ ኸተማታት ክሃንጽወንን ክነብርወንን እዮም። ኣታኽልቲ ወይኒ ክተኽሉ፡ ወይኒ ኸኣ ክሰትዩ፡ ኣታኽልቲ ኽገብሩ፡ ፍሬኡውን ክበልዑ እዮም። 15ኣነ ኣብ ምድሮም ክተኽሎም እየ፡ ድሕርዚ ኸኣ ካብታ ዝሃብክዎም ምድሮም ከቶ ኣይክምንቈሱን እዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።