1ካብቲ ሽማግለ ናብታ ሕርይቲ እምቤተይን ናብቶም ኣነ ብሓቂ ዘፍቅሮም ደቃን፡ ኣነ በይነይ ዘይኰንኩስ፡ እቶም ነታ ሓቂ ዝፈልጥዋ ዘበሉ ዅላቶም ድማ ዘፍቅርዎም፡ 2ስለ እታ ኣባና ዘላ ንዘለኣለም ከኣ ምሳና እትነብር ሓቂ ኢልና እነፍቅሮም ዘሎና። 3ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ካብ የሱስ ክርስቶስ ወዱ ነቦን ጸጋን ምሕረትን ሰላምን ብሓቅን ብፍቕርን ምሳና ክኸውን እዩ።
4ሓያሎ ኻብ ደቅኺ ኸምቲ ኻብ ኣቦ እተቐበልናዮ ትእዛዝ ኰይኖም፡ ብሓቂ ዝመላለሱ ስለ ዝረኸብኩ፡ ብዙሕ እሕጐስ ኣሎኹ። 5ሕጂ ድማ፡ እምቤተይ፡ እቲ ኻብ መጀመርታ ዝነበረና እምበር፡ ሓድሽ ትእዛዝ ከም ዝጸሓፍኩልኪ ዘይኰነስ፡ ንሓድሕድና ኽንፋቐር እልምነኪ ኣሎኹ። 6ከምቲ ትእዛዛቱ ጌርና ኽንመላለስ፡ እታ ፍቕሪ እዚኣ እያ። ብእኣ ኽትመላለሱ፡ ከምቲ ኻብ መጀመርታ ዝሰማዕኩምዎ፡ እቲ ትእዛዝ እቲ እዚ እዩ። 7የሱስ ክርስቶስ ብስጋ ኸም ዝመጸ ዘይእመኑ ብዙሓት ምስሓትቲ ናብ ዓለም ወጺኦም ኣለዉ። እቲ መስሓትን እቲ ጸረ ክርስቶስን እዚ እዩ። 8ምሉእ ዓስቢ ኽትቅበሉ እምበር፡ ነቲ ዝጸዓርናሉ ምእንቲ ኸይተጥፍእዎ፡ ርእስኹም ሓልዉ። 9እቲ ጐቦ ዝዘብል፡ ብምህሮ ክርስቶስውን ዘይጸንዕሲ፡ ኣምላኽ የብሉን። እቲ ኣብቲ ምህሮ ዝጸንዕ፡ ንሱ ኣቦን ወድን ኣለውዎ። 10ዝዀነ ይኹን ናባኻትኩም እንተ መጸ እሞ ነዚ ምህሮ እዚ እንተ ዘይኣምጽአ፡ ኣብ ቤትኩም ኣይትቀበልዎ፡ ሰላምውን ኣይትበልዎ። 11እቲ ሰላም ዝብሎስ ኣብቲ እኩይ ግብሩ ሓቢርዎ እዩ።
12ናባኻትኩም ዝጽሕፎ ብዙሕ ነገር ነይሩኒ ኽነሱ፡ ብወረቐትን ብቐለምን ክጽሕፎ ኣይፈቶኹን። ግናኸ ሓጐሰይ ምእንቲ ክምላእሲ፡ ናባኻትኩም ክመጽእ እሞ ኣፍ ንኣፍ ክዛረበኩም፡ ተስፋ እገብር ኣሎኹ። 13ደቂ እታ ሕርይቲ ሓብቲኺ ሰላም ይብሉኺ ኣለዉ።