መዝሙር ዳዊት
ቀዳማይ መጽሓፍ
1 2 3 4 5 6 7 8 9
10 11 12 13 14 15
16 17 18 19 20 21
22 23 24 25 26 27
28 29 30 31 32 33
34 35 36 37 38
39 40 41
ናብ ካልኣይ መጽሓፍ፥ 42 — 72
ናብ ሳልሳይ መጽሓፍ፥ 73 — 89
ናብ ራብዓይ መጽሓፍ፥ 90 — 106
ናብ ሓምሳይ መጽሓፍ፥ 107 — 150
1ይ መዝሙር።
1-2ብምኽሪ ረሲኣን ዘይመላለስ፡
ኣብ መገዲ ሓጥኣን ከኣ ዘይቀውም፡
ኣብ መንበር መላገጽቲ ድማ ዘይቅመጥ፡
ብሕጊ እግዝኣብሄር ደኣ ዝፍሳህ፡
ነቲ ሕጉውን ለይትን መዓልትን፡
ዝመራምሮ ሰብሲ ብጹእ እዩ።
3ንሱ ኸምታ ፍሬአ በብግዜኣ እትህብ፡
ቈጽላ ኸኣ ዘይረግፍ፡ ኣብ ወሰን ወሓዚ ማይ
እተተኽለት ኦም ይኸውን።
ዝገብሮ ዅሉውን ይሰልጦ።
4እቶም ረሲኣን ከምቲ ንፋስ ዝብትኖ
ብቑብቑ እዮም እምበር፡ ከምዚ ኣይኰኑን።
5-6ንመገዲ ጻድቃንሲ እግዚኣብሄር ይፈልጣ እዩ፡
መገዲ ረሲአን ግና ኽትጠፍእ እያ እሞ፡
ስለዚ ረሲኣን ኣብ ፍርዲ፡
ሓጥኣንውን ኣብ ማሕበር ጻድቃን ኣይክቘሙን እዮም።
2ይ መዝሙር።
1ስለምንታይ እዮም ኣህዛብ ጫውጫው ዝብሉ፡
ህዝብታትሲ ከንቱ ዝሓስቡ፧
2-3ነገስታት ምድሪ ይትንስኡ፡ መሳፍንቲ ኸኣ ሓቢሮም፡
ንመቓውሖም ንስበሮ፡
ንማእሰሪኦምውን ካባና ንደርብዮ፡
ኢሎም ኣብ እግዚኣብሄርን ኣብ መሲሁን ይመኽሩ።
4እቲ ኣብ ሰማይ ዝነብር ይስሕቆም፡ ጐይታ የላግጸሎም።
5ሽዑ ብዅራኡ ይዛረቦም፡
ብነድሩ ኸኣ የፈራርሆም፡
6ኣነ ኣብ ጽዮን ኣብ ቅዱስ ከረነይ
ንጉሰይ ሸምኩ፡ ይብል።
7እቲ ምዱብ ምኽሪ እነግር ኣሎኹ፡
እግዚኣብሄር በለኒ፡ ንስኻ ወደይ ኢኻ፡
ኣነ ሎሚ ወለድኩኻ።
8ኣህዛብ ንርስትኻ፡
ወሰናት ምድሪ ኸኣ ንጥሪትካ ኽህበካስ፡ ለምነኒ።
9ብበትሪ ሓጺን ክትቅጥቅጦም፡
ከም ኣቕሓ ሰራሕ መሬት ከኣ ክትሰባብሮም ኢኻ።
10እምበአርሲ ኣቱም ነገስታት፡ ለብሙ፡
ኣቱም ፈራዶ ምድሪውን፡ ተኣረሙ።
11ንእግዚኣብሄር ብፍርሃት ኣገልግልዎ፡
ብረዓድ ከኣ ተሓጐሱ።
12ኵራኡ ቐልጢፉ ይነድድ እዩ እሞ፡ ከይዅሪ፡
ኣብ መገዲ ኸሎኹም ድማ ከይትጠፍኡስ፡ ንወዱ ስዓምዎ።
ኣብኡ ዝምዕቈቡ ዘበሉ ዅሎም ብጹኣን እዮም።
3ይ መዝሙር።
ዳዊት ካብ ኣቤሴሎም ወዱ ኽሃድም ከሎ ዝዘመሮ መዝሙር።
1ዎ እግዚኣብሄር፡ ጠቓዕተይሲ ኽንደይ ኰን ይበዝሑ፡
ኣባይ ዝለዓሉ ብዙሓት እዮም።
2ብዛዕባ ነፍሰይ ብዙሓት፡
ኣብ ኣምላኽሲ ምድሓን የብሉን ይብሉ ኣለዉ። ሴ?ላ
3ዎ እግዚኣብሄር፡ ንስኻ ግና ኣብ ዙርያይ ዋልታ ኢኻ፡
ክብረይን ንርእሰይ ልዕል እተብላን ንስኻ ኢኻ።
4ብድምጸይ ናብ እግዚኣብሄር ኤእዊ ኣሎኹ።
ካብ ቅዱስ ከረኑ ኸኣ ይመልሰለይ። ሴላ።
5ተገምሰስኩ ደቀስኩውን፡
እግዚኣብሄር ይድግፈኒ ኣሎ እሞ ነቓሕኩ።
6ነቶም ዚኸቡኒ ኣእላፋት ኣህዛብ ኣይፈርሆምን እየ።
7ንምንጋጋ ዅሎም ጸላእተይ ወቒዕካዮ፡
ነስናን ረሲኣን ሰባቢርካዮ ኢኻ እሞ፡
ዎ እግዚኣብሄር፡ ተንስእ፡
ዎ ኣምላኸይ፡ ኣድሕነኒ።
8ምድሓን ናይ እግዚኣብሄር እዩ፡
በረኸትካ ኣብ ህዝብኻ ይኹን። ሴላ።
4ይ መዝሙር።
ንሊቀ መዘምራን፡ ብንጊኖት፡ ናይ ዳዊት መዝሙር።
1ዎ ኣምላኽ ጽድቀይ፡ ከእዊ ኸሎኹ፡ምለሰለይ፡
ብጸበባ ኣርሒብካለይ ኢኻ፡
ደንግጸለይ እሞ ጸሎተይ ስማዕ።
2ኣቱም ደቂ ሰብ፡ ክብረይስ ኰን ክሳዕ መኣዝ እዩ ዝሓስር፧
ክሳዕ መኣዝከ ንኸንቱነት ትፈትዉ፡
ሓሶትውን ትደልዩ፧ ሴላ።
3እግዚኣብሄር ግና ነቲ ደጊ ኸም ዝሓረዮ፡ ፍለጡ።
እግዚኣብሄር፡ ናብኡ እንተ ጠራዕኩ፡ ይሰምዕ እዩ።
4ኰርዩ እሞ ኣይትኣብሱ፡
ኣብ መደቀሲኹም ልብኹም መርምሩን
ስቕ በሉን። ሴላ።
5መስዋእቲ ጽድቂ ሰውኡ፡
ኣብ እግዚኣብሄር ድማ ተወከሉ።
6ብዙሓት፡ ንሰናይ መን እዩ ዘርእየና፧ ይብሉ ኣለዉ።
ዎ እግዚኣብሄር፡ ብርሃን ገጽካ ኣብርሃልና።
7ካብቲ እቶም እኽሎምን ወይኖምን ምስ በዝሐ ዝሕጐስዎ
ኣብሊጽካ ኣብ ልበይ ሓጐስ ኣንበርካ።
8ዎ እግዚኣብሄር፡ ንስኻ በይንኻ ኢኻ ብደሓን እተሕድረኒ እሞ፡
ብሰላም እግምሰስን እድቅስን ኣሎኹ።
5ይ መዝሙር።
ንሊቀ መዘምራን፡ ብንሂሎት፡ ናይ ዳዊት መዝሙር።
1ዎ እግዚኣብሄር፡ ንቓላተይ ጽን በሎ፡
ንሓሳባተይ ኣስተውዕሎ።
2ናባኻ እጽሊ ኣሎኹ እሞ፡
ዎ ንጉሰይን ኣምላኸይን፡ ንድምጺ ጥርዓነይ ኣድህበሉ።
3ዎ እግዚኣብሄር፡ ኣንጊህካ ንድምጸይ ትሰምዖ ኢኻ፡
ኣንጊሄ ልበይ ናባኻ ኣቕኒዔ ኤማዕዱ ኣሎኹ።
4ብረሲእነት ባህ እትብል ኣምላኽ ኣይኰንካን እሞ፡
እኩይ ምሳኻ ኣይሐድርን።
5ትዕቢተኛታት ኣብ ቅድሚ ገጽካ ኣይቈሙን፡
ንገበርቲ እከይ ዘበሉ ትጸልኦም።
6ሓሶት ንዚዛረቡ ተጥፍኦም።
እግዚኣብሄር ንደመኛን ንጠባርን ይፍንፍኖም እዩ።
7አነ ግና ብብዝሒ ሳህልኻ ናብ ቤትካ ኽአቱ፡
ብፍርሃትካ ናብ ቅድስቲ መቕደስካ ኣቢለ ኽሰግድ እየ።
8ዎ እግዚኣብሄር፡ ብምኽንያት ተጻናጸንተይ ብጽድቅኻ ምርሓኒ፡
ንመገድኻ ኣብ ቅድመይ መድምዳ።
9ኣብ ኣፎም ቁም ነገር የልቦን እሞ፡
ውሽጦም ጥፍኣት፡ጐረርኦም ክፉት መቓብር እዩ፡
ብመልሓሶም የቀባጥሩ።
10ዎ ኣምላኽ፡ ኰንኖም፡ ኣብ ምኽሮም ይውደቑ።
ካባኻ ዐልዮም እዮም እሞ፡ ብብዝሒ ኣበሳኦም ኣባርሮም።
11ኣባኻ ዚዕቈቡ ዅሎም ግና ይተሐጐሱ፡
ንስኻ አጽሊልካዮም ኢኻ እሞ፡ ንዘለአለም እልል ይብሉ፡
ንስምካ ዜፍቅርዎ ድማ ብኣኻ ይፈስሁ።
12ንጻድቕ ትባርኾ ኢኻ እሞ፡
ዎ እግዚኣብሄር፡ ከም ብዋልታ ብጸጋ ትኸቦ።
6ይ መዝሙር።
ንሊቀ መዘምራን፡ ብንጊኖት፡ ብሸሚኒት ናይ ዳዊት መዝሙር።
1ዎ እግዚኣብሄር፡ ብዅራኻ ኣይትግንሓኒ፡
ብሓርቖትካ ድማ ኣይትቕጽዓኒ።
2ዎ እግዚኣብሄር፡ ማህሚነ እየ እሞ፡ ምሐረኒ።
ዎ እግዚኣብሄር፡ ኣዕጽምተይ ተሸቢረን እየን እሞ፡ ኣጥዕየኒ።
3ነፍሰይውን ኣዝያ ተሸቢራ፡
ንስኻኸ፡ ዎ እግዚኣብሄር ክሳዕ መአዝ፧
4ዎ እግዚኣብሄር፡ ተመለስ፡ ንነፍሰይ ኣናግፋ፡
ምእንቲ ምሕረትካ ኣድሕነኒ።
5ኣብ ሞት ዚዝክረካ የልቦን እሞ፡
ኣብ ሲኦልከ መን እዩ ዜመስግነካ፧
6ኣነ ብእህህታ ሰልክየ፡
ለይተ ለይቲ ንመደቀስየይ ኤርሕሶ፡
ንመንጸፈይ ብንብዓተይ ኤጠልቅዮ ኣሎኹ።
7ዓይነይ ብሓዘን ተባላሸወት፡
ብሰሪ ዅላቶም ተጻረርተይ ትአርግ ኣላ።
8እግዚኣብሄር ንድምጺ ብኽያተይ ሰሚዕዎ እዩ እሞ፡
ኣቱም ገበርቲ እከይ ኵላትኩም፡ ካባይ ርሐቑ።
9እግዚኣብሄር ንምህለላይ ሰሚዕዎ፡
እግዚኣብሄር ንጸሎተይ ኪቕበሎ እዩ።
10ኵላቶም ጸላእተይ ኪሐፍሩ፡ እምብዛ ኺሽበሩ፡
ንድሕሪት ኪምለሱ፡ ብድንገት ኪሐፍሩ እዮም።
7ይ መዝሙር።
ዳዊት ብዛዕባ ቓላት ኩስ ብንያማዊ ንእግዚኣብሄር ዝዘመረሉ መዝሙር።
1-2ሰአን ዘናግፈኒ፡ ጸላእየይ ንነፍሰይ
ከም ኣንበሳ ኸይሰላልዓን ከይምንጥላንሲ፡
ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፡ ኣባኻ ኣዕቁበ እኔኹ፡
ካብ ኵላቶም ሰጐጕተይ ኣድሕነንን ኣናግፈንን።
3ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፡ ከምኡ ገይረ እንተ ዀይነስ፡
ኣብ ኣእዳወይ ዓመጽ እንተ ኣልዩ፡
4ነቲ ምሳይ ብሰላም ዝነበረ
ኣብ ክንዲ ሰናይሲ እኩይ እንተ ፈድየዮ፡
— ኣነስ እባ ነቲ ብዘይ ምኽንያት
ጸላኢ ዝዀነኒ ደኣ ኣናገፍክዎ፡
5እቲ ጸላኢ ንነፍሰይ ይስጐጓን የርክባን፡
ንህይወተይ ኣብ ምድሪ ይርገጻ፡
ንኽብረይውን ኣብ ሓመድ የዋርዶ። ሴ?ላ
6ዎ እግዚኣብሄር፡ ብዅራኻ ተንስእ፡
ኣብ ልዕሊ ነድሪ ተጻረርተይ ተለዓል፡
ንስኻ ፍርዲ ኣዘዝካ፡ ንረዲኤተይ ንቓሕ።
7ማሕበር ህዝብታት ይኽበብካ፡
ኣብ ልዕሊኣ ኣብ በሪኽ ተመለስ።
8እግዚኣብሄር፡ ንህዝብታት ክፈርዶም እዩ፡
ዎ እግዚኣብሄር፡ ከም ጽድቀይን ከም ንጽህናይን ፍረደኒ።
9ንልብን ኰላሊትን እትምርምር ጻድቕ ኣምላኽ ኢኻ እሞ፡
ንኽፍኣት ረሲኣን ኣጥፍኣዮ፡
ንጻድቕ ግና ኣጽንዓዮ።
10ዋልታይ ኣብ ኣምላኽ እዩ፡
ንሱ ነቶም ቅኑዕ ዝልቦም የድሕኖም።
11ኣምላኽሲ ጻድቕ ፈራዲ፡
ዕለተ ዕለት ዝዅሪ ኣምላኽ እዩ።
12ሰብ እንተ ዘይተመልሰ፡ ሴፉ ስሒሉ፡ ቀስቱ ገቲሩ የዝግበሉ።
13መሳርያ ሞት ድማ ኣዳለወሉ፡
ንፍላጻታቱ ኣርሰኖ።
14እንሆ፡ ንእከይ የቕለሉ፡
ሕሰም ጠኒሱ ሓሶት ይወልድ።
15ጒድጓድ ኵዒቱስ ኣዕመቛ፡
ናብታ ዝዀዓታ ጕድጓድውን ወደቐ።
16ክፍኣቱ ናብ ርእሱ ኽምለስ፡
ዓመጻኡውን ናብ ቅርቅርቱ ኽወርድ እዩ።
17ንእግዚኣብሄር ከም ጽድቁ ኸመስግኖ፡
ነቲ ልዑል፡ ንስም እግዚኣብሄር፡ ክዝምረሉ እየ።
8ይ መዝሙር።
ንሊቀ መዘምራን፡ ብጌቲት፡ ናይ ዳዊት መዝሙር።
1ዎ እግዚኣብሄር፡ ጐይታና፡
ኣታ ንግርማኻ ኣብ ሰማያት ዝተኸልካዮ፡
ስምካስ ኰን ኣብ ኵላ ምድሪ ኽንደይ ግሩም እዩ።
2ምእንቲ ተቓወምትኻ
ነቲ ጸላእን ፈዳይ ሕነን ስቕ ከተብሎ፡
ካብ ኣፍ ቈልዑን ዝጠብውን ሓይሊ ኣዳሎኻ።
3ንሰማያትካ፡ ነቲ ስራሕ ኣጻብዕካ፡ ንስኻ ዘቘምካዮም፡
ወርሕን ከዋኽብትን እንተ ጠመትኩ፡
4እቲ ንስኻ እትዝክሮ ሰብ፡
እቲ እትሓልየሉ ወዲ ሰብሲ እንታይ እዩ፧
5ካብ መላእኽቲ ቕሩብ ኣንኣስካዮ፡
ብኽብርን ጌጽን ከኣ ኸለልካዮ።
6ኣብ ልዕሊ ግብሪ ኣእዳውካ ሸምካዮ፡
ንዅሉ ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩ ጌርካዮ፡
7ንብዘለዋ ዅላተን ኣባጊዕን ኣሓን፡
ንእንስሳታት በረኻውን
8ነዕዋፍ ሰማይን ንዓሳታት ባሕርን
ነቲ ብመገድታት ባሕሪ ዝሓልፍ ዘበለን።
9ዎ እግዚኣብሄር ጐይታና፡
ስምካስ ኰን ኣብ ኵላ ምድሪ ኽንደይ ግሩም እዩ።
9ይ መዝሙር።
ንሊቀ መዘምራን፡ ብሙት ላቤን፡ ናይ ዳዊት መዝሙር።
1ብምሉእ ልበይ ንእግዚኣብሄር ከመስግኖ፡
ኵሉ ተኣምራትካ ኽነግር እየ።
2ብኣኻ ኽሕጐስን ክፍሳህን፡
ዎ ልዑል፡ ንስምካ ኽዝምር እየ።
3ጸላእተይ ንድሕሪት ምስ ተመልሱ፡
ወደቑ፡ ካብ ቅድሚ ገጽካውን ጠፍኡ።
4መሰለይን ነገረይን ወዳእካ እሞ፡
ጻድቕ ፈራዲ ዄንካ ኣብ ዝፋን ተቐመጥካ።
5ነህዛብ ገናሕካዮም፡ ንረሲኣን ኣጥፋእካዮም፡
ስሞም ከኣ ንዘለኣለም ደምሰስካዮ።
6ጸላእቲ ንሓዋሩ ተጠሪሶም፡
ከተማታትሲ፡ መዘከርታአን እኳ ኽሳዕ ዝጠፍእ፡ ዖንየን።
7እግዚኣብሄር ግና ንዘለኣለም ነጊሱ ይነብር፡
ዝፋኑ ንፍርዲ ኣዳለዎ።
8ንሱ ንዓለም ብጽድቂ ኽፈርዳ፡
ንህዝብታትውን ብቕንዕና ኽዳንዮም እዩ።
9እግዚኣብሄርሲ ንጥቑዓት እምባ፡
ብግዜ ጸበባ እምባ እዩ።
10ዎ እግዚኣብሄር፡ ንዝደልዩኻ ኣይትሓድጎምን ኢኻ እሞ፡
እቶም ንስምካ ዝፈልጡ ኣባኻ ኽምዕቈቡ እዮም።
11-12እቲ ሕነ ደም ዝፈዲ ዘኪርዎም፡
ንኣውያት ጥቑዓት ከኣ ኣይርስዖን እዩ እሞ፡
ነቲ ኣብ ጽዮን ዝነብር እግዚኣብሄር ዘምሩሉ፡
ኣብ ማእከል ኣህዛብ ግብርታቱ ንገሩ።
13-14ኣብ ደጌታት ጓል ጽዮን ብምድሓንካ ኽፍሳህ፡
ምስጋናኻ ምእንቲ ኽነግርሲ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡
ነቲ ብጸላእተይ ዝረኽቦ መከራ ርኣዮ እሞ፡
ኣታ ኻብ ደጌታት ሞት እትስሕበኒ፡ ደንግጸለይ።
15ኣህዛብ ናብታ ዝዀዓትዋ ጒድጓድ ጸደፉ፡
በቲ ዝሓብእዎ መፈንጠራ ኸኣ እግሮም ተፈንጠረ።
16እግዚኣብሄር ርእሱ ኣፍለጠ፡ ጸድቂ ገበረ፡
ረሲእ ብግብሪ ኢዱ ተሓንኰለ። ሂጋዩን። ሴ??ላ።
17ረሲኣን፡ ንኣምላኽ ዝርስዕዎ ዅላቶም ኣህዛብ፡
ናብ ሲኦል እዮም ዝምለሱ።
18ድኻስ ንሓዋሩ ኣይክርሳዕን እዩ እሞ፡
ተስፋ መስኪን ንዘለኣለም ኣይክጠፍእን እዩ።
19ዎ እግዚኣብሄር፡ ተንስእ፡ ሰብሲ ኣይበርትዕ፡
ኣህዛብ ኣብ ቅድሜኻ ይፈረዱ።
20ዎ እግዚኣብሄር፡ ፍርሃት ኣውድቐሎም፡
ኣህዛብሲ ሰብ ምዃኖም ደኣ ይፍለጡ። ሴላ።
10ይ መዝሙር።
1ዎ እግዚኣብሄር፡ ስለምንታይ ደኣ እትርሕቕ፡
ብዘመናት ጸበባስ እትኽወል፧
2-3ረሲእ ብትምኒት ልቡ ይጀሃር፡
ንገፋዒ ይምርቖ፡ ንእግዚኣብሄር ይንዕቆ ኣሎ እሞ፡
ጥቑዕሲ ብትዕቢት ረሲእ ይስቀ ኣሎ፡
በቲ ዝሓሰብዎ ውዲት ይተሓንኰሉ።
4ኵሉ ሓሳባት እቲ ረሲእ፡ ኣምላኽ የልቦን እዩ፡
ብትዕቢቱ ኸኣ፡ ኣይምርምርን እዩ፡ ይብል ኣሎ።
5መገድታቱ ዅሉ ግዜ ይፍድፍዳ፡
ፍርድታትካ ንእኡስ ኣዝዩ ልዕል ዝበለ እዩ።
ንዅላቶም ተቓወምቱ ጺቕ ይብለሎም።
6ብልቡ፡ ከቶ ኣይክናወጽን፡
ካብ ወለዶ ንወለዶ ኽፉእ ኣይመጸንን እዩ፡ ይብል ኣሎ።
7ኣፉስ መርገምን ጥልመትን ዓመጻን መሊኡ እዩ፡
ኣብ ትሕቲ መልሓሱ እከይን ጥፍኣትን ኣሎ።
8ኣብ ናይ ዓድታት ሸጓሹጕ የድቢ፡
ኣብ ሕቡእ ስፍራ ንንጹህ ይቐትሎ፡
ኣዒንቱ ንመስኪን ይስልያኦ።
9ከም ኣንበሳ ኣብ ዱሩ ኣብ መሕብኢኡ ይጻናቶ፡
ንመስኪን ክዕምጥሮ የድቢ፡
ንመስኪን ብመጻወድያኡ ስሒቡ ይዕምጥሮ።
10ጕብጥ ኢሉ ይደንን፡
መሳኪን ከኣ ኣብ መንጎ ኣጽፋሩ ይወድቁ።
11ንሱ ብልቡ፡ ኣምላኽ ረሲዑ ገጹ ኸዊሉ፡
ከቶ ኣይክርእዮን እዩ፡ ይብል።
12ዎ እግዚኣብሄር፡ ተንስእ፡
ዎ ኣምላኽ፡ ኢድካ ኣልዕል፡
ንጥቑዓት ኣይትረስዓዮም።
13ስለምንታይ ረሲእ ንኣምላኽ ዝንዕቆ፡
ብልቡ ኸኣ፡ ኣይክትምርምርን ኢኻ፡ ዝብሎ፧
14ንስኻ ርኢኻዮ፡ ኣብ ኢድካ ምእንቲ ኽትሕዞስ፡
ንጻዕርን ሓዘንን ተቕልበሉ ኢኻ እሞ፡
መስኪን ንነገሩ ናባኻ ይውፍዮ፡
ረዳእ ዘኽታም ንስኻ ኢኻ።
15ንቕልጽም ረሲእ ስበሮ፡
ንእኩይ፡ ረሲእነቱ ኽሳዕ ዘይትረኽባ፡ ኣጥፍኣዮ።
16እግዚኣብሄር ንዘለኣለመ ኣለም ንጉስ እዩ።
ኣህዛብ ካብ ምድሩ ጸኒቶም እዮም።
17-18ዎ እግዚኣብሄር፡ መሬታዊ ሰብ ንምግፋዕ ከይቕጽል፡
ንዘኽታምን ንጥቑዕን ክትብይነሎምሲ፡ ነእዛንካ ተድንነን፡
ንሃረርታ ትሑታት ትሰምዖ፡ ንልቦም ተበርትዖ ኢኻ።
መበል 11 መዝሙር።
ንሊቀ መዘምራን፡ ናይ ዳዊት መዝሙር።
1ኣብ እግዚኣብሄር ኣዕቁበ ኣሎኹ፡
ከመይ ደኣ ንነፍሰይ፡
ከም ዑፍ ናብ ከረንኪ ህደሚ፡ እትብልዋ፧
2ንቕኑዓት ልቢ ብጸልማት ምእንቲ ኽውርውሩሎም፡
እንሆ፡ ረሲኣን ቀስቶም ይግትሩ፡
ንፍላጻኦም ኣብ መንትግ የዝግብዎ።
3መሰረታት እንድሕሪ ፈሪሱ ደኣ፡
እቲ ጻድቕ እንታይ ክገብር ይከኣሎ፧
4እግዚኣብሄር ኣብ ቅድስቲ መቕደሱ እዩ፡
ዝፋን እግዚኣብሄር ኣብ ሰማያት እዩ፡
ኣዒንቱ ይጥምታ፡
ቈላሕታኡ ንደቂ ሰብ ይዕዘባኦም ኣለዋ።
5እግዚኣብሄር ንጻድቕ ይዕዘቦ፡
ንረሲእን ንፈታው ግፍዕን ግና ነፍሱ ትጸልኦም።
6-7እግዚኣብሄርሲ ጻድቕ፡ ንጽድቂ ዘፍቅር እዩ፡
ቅኑዓትውን ገጹ ኽርእይዎ እዮም እሞ፡
ኣብ ልዕሊ ረሲኣን ወጽመድ ከዝንም፡
ዕድሎት ጽዋኦም ከኣ
ሓውን ዲንን ጕሁር ንፋስን ክኸውን እዩ።
መበል 12 መዝሙር።
ንሊቀ መዘምራን፡ ብሸሚኒት፡ ናይ ዳዊት መዝሙር።
1ዎ እግዚኣብሄር፡ ደጊ ሰብ ተሳኢኑ፡
ካብ ማእከል ደቂ ሰብውን
እሙናት ጠፊኦም እዮም እሞ፡ ኣድሕን።
2ነፍሲ ወከፎም ምስ ብጻዩ ሓሶት ይዛረብ፡
ብዘቃባጥር ከንፈርን ብኽልተ ልብን ይዛረቡ ኣለዉ።
3-4እግዚኣብሄር ንዅላተን መቃባጠርቲ ኸናፍርን
ነታ ዕቡይ ነገር እትዛረብ መልሓስን፡
ነቶም፡ ሳላ መልሓስና ንብርትዕ ኣሎና፡
ከናፍርና ናትና እየን፡ መን እዩኸ ጐይታና፧
ዝብሉን ክምንቁሶም እዩ።
5ስለ ምግፋዕ ጥቑዓትን ስለ ልቕሶ መሳኪንን ሕጂ ኽትንስእ፡
ነቲ ዝናፍቖውን ምድሓን ከምጽአሉ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
6ቃላት እግዚኣብሄር ጽሩይ ቃላት እዩ፡
ብመምከኽ መርየት ዝጸረየ፡
ሾብዓተ ሳዕ እተዀልዐ ብሩር እዩ።
7ዎ እግዚኣብሄር ክትሕልዎም፡
ካብዚ ወለዶ እዝስ ንዘለአለም ክትዕቅቦም ኢኻ።
8ብልሽውነት ኣብ ማእከል ደቂ ሰብ ልዕል እንተ በለ፡
ረሲኣን ኣብ ኵሉ ወገን ይዞሩ።
መበል 13 መዝሙር።
ንሊቀ መዘምራን፡ ናይ ዳዊት መዝሙር።
1ዎ እግዚኣብሄር፡ ክሳዕ መአዝ ኢኻ ፈጺምካ እትርስዓኒ፧
ክሳዕ መአዝከ ኢኻ ገጽካ ትኽውለለይ፧
2ክሳዕ መአዝ ብነፍሰይ ክጭነቕ፡
ዕለተ ዕለትሲ ብልበይ ክሐዝን እየ፧
ጸላእየይከ ኽሳዕ መአዝ እዩ ዚዕብልለኒ፧
3-4ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፡ ጠምት እሞ ምለሰለይ።
ኣነ ድቃስ ሞት ከይድቅስ፡
ጸላእየይ፡ስዒረዮ፡ ከይብል፡
እንተ ተናወጽኩ፡ ተጻረርተይ ከይፍስሁስ፡
ነዒንተይ ኣብርሃየን።
5ኣነ ግና ብምሕረትካ እውከል ኣሎኹ፡
ልበይ ብምድሓንካ ይሕጐስ ኣሎ።
6እግዚኣብሄር ሰናይ ገይሩለይ እዩ እሞ፡
ምስጋናኡ ኽዝምር እየ።
መበል 14 መዝሙር።
ንሊቀ መዘምራን፡ ናይ ዳዊት መዝሙር።
1ዓሻስ ብልቡ፡ ኣምላኽ የልቦን፡ ይብል።
ብልሽዋት እዮም፡ ፍንፉን ግብሪ ገበሩ፡
ሓደ እኳ ሰናይ ዝገብር የልቦን።
2ንእግዚኣብሄር ዝደሊ ለባም እንተሎ ኽርኢ ኢሉስ፡
እግዚኣብሄር ካብ ሰማይ ናብ ደቂ ሰብ ጠመተ።
3ኵላቶም ዘምቢሎም፡ ብዘለዉ ዅላቶም ረኺሶም፡
ገለ ሰናይ ዝገብር የልቦን፡ ሓደ እኳ የልቦን።
4እዞም ንህዝበይ ከም እንጌራ ዝውሕጥዎ፡
ኣብ እግዚኣብሄር ዘይጠርዑ ገበርቲ እከይ ኵላቶምሲ፡
ፍልጠትዶ የብሎምን እዮም፧
5እግዚኣብሄር ኣብ ወለዶ ጻድቃን እዩ እሞ፡
እንሆ፡ ዓብዪ ፍርሃት ሒዝዎም።
6ንምኽሪ ጥቑዕ ተቋናጽብዎ ኣሎኹም፡
ግናኸ እግዚኣብሄር መዕቈቢኡ እዩ።
7ኣየ፡ ካብ ጽዮን ምድሓን እስራኤል እንተ ዝመጽእ።
እግዚኣብሄር ምርኮ ህዝቡ ኽመልስ ከሎ፡
ሽዑ ያእቆብ ክሕጐስ፡ እስራኤልውን ባህ ክብል እዩ።
መበል 15 መዝሙር።
ናይ ዳዊት መዝሙር።
1ዎ እግዚኣብሄር፡ ኣብ ድንኳንካ ዝሓድር መን እዩ፧
ኣብቲ ኸረን ቅድስናኻ ዝነብርከ መን እዩ፧
2እቲ ብቕንዕና ዝመላለስን ጽድቂ ዝገብርን
ብልቡ ሓቂ ዝዛረብን፡
3ብልሳኑ ዘይሓሚ፡
ንመሓዛኡ ገለ ኽፉእ ዘይገብሮ፡
ንብጻዩ ዘይጸርፎ፡
4እቲ ጽዩፍ ንዑቕ ኰይኑ ዝረአዮ፡
ንፈራህቲ እግዚኣብሄር ግና ዘኽብሮም፡
ዝጐድኦ እኳ እንተ ዀነ፡ ነቲ ዝመሓለሉ ዘይልውጦ፡
5ገንዘቡ ብሓረጣ ዘይህብ፡
ንጕድኣት ንጹህ ከኣ መማለጃ ዘይቕበል፡
እቲ ኸምዚ ዝገብርሲ ንዘለኣለም ኣይናወጽን እዩ።
መበል 16 መዝሙር።
ናይ ዳዊት መዝሙር።
1ዎ ኣምላኽ፡ ብኣኻ እውከል ኣሎኹ እሞ፡ ሓልወኒ።
2ንእግዚኣብሄር፡ ንስኻ ጐይታይ ኢኻ፡
ብዘይ ንስኻስ ሰናይ የብለይን፡ ኢለዮ።
3ኣብ ምድሪ ዘለዉ ቅዱሳን፡ ንሳቶም ክቡራን እዮም፡
ባህገይ ኵሉ ኣባታቶም እዩ ዘሎ፡ በልኩ።
4ጻዕሪ እቶም ናብ ካልኦት ዝጐዩ ኽበዝሕ እዩ።
ናይ ደም መስዋእቲ መስቲኦም ኣይክስውእን፡
ንስሞም ከኣ ብኸናፍረይ ኣይከውስእን እየ።
5እግዚኣብሄርሲ ኽፍሊ ርስተይን ጽዋአይን እዩ፡
ነቲ ብዕጻ ዝበጽሓኒ እተጽንዖ ንስኻ ኢኻ።
6ኣብ ባህ ዘብል ቦታ ዕጻ በጺሑኒ፡
ኤረ ጽቡቕ ርስቲ መጺኡኒ።
7ነቲ ዝምዕደኒ እግዚኣብሄር እባርኾ ኣሎኹ፡
ብለይቲ እኳ ኰላሊተይ ይምህራኒ እየን።
8ንእግዚኣብሄር ኵሉ ግዜ ኣብ ቅድመይ ገይረዮ፡
ብየማነይ ስለ ዝዀነ፡ ኣይክናወጽን እየ።
9-10ንነፍሰይ ኣብ ሲኦል ኣይትሓድጋን፡
ቅዱስካውን ጥፍኣት ክርኢ ኣይትፈቅድን ኢኻ እሞ፡
ስለዚ ልበይ ይሕጐስ፡ ክብረይ እልል ይብል፡
ስጋይውን ኣብ ጽኑዕ ክሓድር እዩ።
11ንመገዲ ህይወት ትሕብረኒ፡
ኣብ ቅድሚ ገጽካ ናይ ሓጐስ ጽጋብ፡
ኣብ የማናይካውን ንዘለኣለም ብጽእና ኣሎ።
መበል 17 መዝሙር።
ጸሎት ዳዊት።
1ዎ እግዚኣብሄር፡ ንጽድቂ ስምዓዮ፡
ናብ ጥርዓነይ ኣቕልብ፡
ናብቲ ኻብ ከንፈር ጥበራ ዘይመጸ ጸሎተይ እዝንኻ ምለሰ።
2ፍትሐይ ካብ ገጽካ ይውጻእ፡
ኣዒንትኻ ንቕንዕና ይርኣያኣ።
3ንልበይ ተዓዚብካዮ፡ ብለይቲ በጺሕካዮ፡
መርሚርካንስ ገለ እኳ ኣይረኸብካን፡
ካብ ኣፈይ ክፍኣት ከይወጽእ ምኽረይ ቈሪጸ እየ።
4ብዛዕባ ግብርታት ሰብሲ
ንቓል ከናፍርካ ብምእዛዝ፡
ካብ መገድታት ዓመጽቲ ተዓቂበ።
5ስጕምተይ ኣብ ኣሰርካ ይጽናዕ፡
ኣእጋረይ ሰንከልከል ኣይበላን።
6ዎ ኣምላኽ፡ ትመልሰለይ ኢኻ እሞ፡ እጽውዓካ፡
እዝንኻ ናባይ ኣድንን፡ ንዘረባይ ጽን በሎ።
7ነቶም ካብ ተጻረርቶም ኣባኻ ዘዕቍቡ፡
ንስኻ ብየማናይ ኢድካ እተናግፎም፡
እቲ ዘደንቕ ሳህልኻ ኣርእዮም።
8-9ካብቶም ጕድኣተይ ዝደልዩ ረሲኣን፡
ካብቶም ዝኸቡኒ ጸላእተይሲ፡
ከም መርዓት ዓይኒ ጌርካ ዓቅበኒ፡
ኣብ ጽላል ኣኽናፍካ ሰውረኒ።
10ንልቦም ብስብሒ ይዓጽውዎ፡
ብአፎም ትዕቢት ይዛረቡ ኣለዉ።
11ኣስአሰርና ስዒቦም ሕጂ ይኸቡና፡
ናብ ምድሪ ኸውድቑና ኣዒንቶም የፍጥጡ ኣለዉ።
12ነቲ ኽሰላልዕ ዝምነ ኣንበሳ፡
ነቲ ኣብ ሕቡእ ዘድቢ ሽደን ኣንበሳ ይመስል።
13ዎ እግዚኣብሄር፡ ተለዓል፡ ግጠመሉ፡ ኣውድቆ።
ንነፍሰይ ካብ ረሲእ ብሴፍካ ኣናግፋ።
14ዎ እግዚኣብሄር፡ ካብ እዛ ዓለም እዚኣ፡
ግዲኦም ኣብዛ ህይወት እዚኣ ዝዀነ፡
ከብዶም ብመዝገብካ እትመልእ፡ ውሉዶም ዝበዝሑሎም፡
ተረፎም ከኣ ንሕጻውንቶም ዝሓድጉ ሰባት፡
ብኢድካ ኣድሕነኒ።
15ኣነ ግና ንገጽካ ብጽድቂ ኽርእዮ፡
ምስ ነቓሕኩ ብትርኢትካ ኽጸግብ እየ።
መበል 18 መዝሙር።
ንሊቀ መዘምራን፡ እግዚኣብሄርካብ ኢድ ኩላቶም ጸላእቱን ካብ ኢድ ሳኦልን ምስ ኣናግፎ፡ ዳዊት ባርያ እግዚኣብሄር ቃላት እዚ መዝሙርእዚ ኸምዚ ኢሉ ንእግዚኣብሄር ዘመአሉ።
1ዎ እግዚኣብሄር ሓይለይ፡ አፍቅረካ እየ።
2እግዚኣብሄርሲ ኸውሐይ፡ ዕርደይ፡ መናገፍየይ፡
ኣምላኸይ፡ ዝሃድመሉ ጸግዐይ፡
ዋልታይ፡ ቀርኒ ምድሓነይ፡
ልዕል ዝበለ ኸውለይ እዩ።
3ናብቲ ሞሳ ዝግብኦ እግዚኣብሄር ተማህለልኩ እሞ፡
ካብ ጸላእተይ ደሓንኩ።
4መኣሰር ሞት ከቢቡኒ፡
ወሓይዝ ብልያል ከኣ ሸቢሩኒ፡
5መኣሰር ሲኦል ከቢቡኒ፡
መፈንጠራታት ሞት በጺሑኒ ነይሩ።
6ብጸበባይ ናብ እግዚኣብሄር ተማህለልኩ፡
ናብ ኣምላኸይ ኣእዌኹ፡
ንድምጸይ ካብ መቕደሱ ሰምዖ፡
ኣውያተይውን ናብ ቅድሚኡ ኣብ ኣእዛኑ በጽሐ።
7ሽዑ ምድሪ ተናወጸት ራዕራዕ ድማ በለት፡
መሰረታት ኣኽራን ከኣ ኣንደቕደቑ፡
ንሱ ነዲሩ እዩ እሞ፡ ኣንቀጥቀጡ።
8ካብ ኣፍንጫኡ ትኪ ፈለል በለ፡
ካብ ኣፉ ኸኣ ሞዅ ዘብል ሓዊ ወጸ፡
ጓህሪ ኻብኡ መጸ።
9ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩ ብርቱዕ ጣቓ ነበረ እሞ፡
ንሰማያት ለጠቕ ኣቢሉ ወረደ።
10ኣብ ኪሩቤል ተቐሚጡ በረረ፡
ቀልጢፉ ብኣኽናፍ ንፋስ ሸበበ።
11ንሱ ጸልማት ንመሰወሪኡ፡
ጸልማት ማያትን ብርቱዕ ደበናታትን ከኣ
ንድንኳኑ ኣብ ዙርያኡ ገበሮ።
12ብነጸብራቕ ገጹ ደበናታቱን
በረድን ጓህሪ ሓውን ሓለፈ።
13እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ሰማያት ኣንጐድጐደ።
እቲ ልዑል ብበረድን ብጓህሪ ሓውን ድምጹ ኣስምዐ።
14ፍላጻታቱ ወርዊሩ ፋሕ ኣበሎም፡
መባርቅ ኣብዚሑ ኣህደሞም።
15ብተግሳጽካ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ብእስትንፋስ ኣፍንጫኻ
መዓሙቑ ማያት ተራእዩ እሞ፡
መሰረታት ዓለም ተቐልዐ።
16ካብ ላዕሊ ልኢኹ ሓዘኒ፡
ስሒቡ ኻብ ብርቱዕ ማያት ኣውጽኣኒ።
17እቲ ብርቱዕ ጸላእየይን እቶም ዝጸልኡንን፡
ሓይሎምኒ ነበሩ እሞ፡ ካብኦም ኣናገፈኒ።
18ብመዓልቲ መከራይ ሓደጋ ወደቑኒ፡
እግዚኣብሄር ግና ደጋፍየይ ኰነ።
19ንሱ ናብ ገፊሕ ቦታ ኣውጽኣኒ፡
ብሂጉኒ እዩ እሞ፡ ኣናገፈኒ።
20-22ንመገድታት እግዚኣብሄር ሓሊወየን፡
ብረሲእነት ካብ ኣምላኸይ ኣይረሓቕኩን፡
ንዅሉ ሕጋጋቱ ኣብ ቅድመይ ሒዘዮ እየ፡
ንስርዓታቱ ድማ ካባይ ኣይፈለኽዎን እሞ
እግዚኣብሄር ብመጠን ጽድቀይ ክሒሱኒ፡
ከም መጠን ንጽህና ኣእዳወይ ፈድዩኒ እዩ።
23ምስኡ ኸኣ ፍጹም ነይረ፡
ካብ ሓጢኣተይውን ተሓልየ።
24ስለዚ እግዚኣብሄር ብመጠን ጽድቀይ፡
ብመጠን እቲ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ዝዀነ
ንጽህና ኣእዳወይ ፈደየኒ።
25-27ንስኻ ነቲ ዝስቀ ሰብ ተድሕኖ፡
ንዕቡያት ኣዒንቲ ግና ለጠቕ ተብለን ኢኻ እሞ፡
ምስቲ ሄርሲ ሄር፡ ምስቲ ቕኑዕውን ቅኑዕ ኢኻ፡
ምስቲ ንጹህሲ ንጹህ፡ ምስቲ ጠዋይ ድማ ጠዋይ ኢኻ።
28ንመብራህተይ ተድምቖ ኢኻ እሞ፡
እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ንጸልማተይ የብርሆ እዩ።
29ብኣኻ ንሰራዊት እጥሕሶ እየ እሞ፡
ብኣምላኸይውን ንቐጽሪ እዘሎ።
30መገዲ ኣምላኽሲ ፍጽምቲ እያ፡
ቃል እግዚኣብሄር እተዀልዐ እዩ፡
ነቶም ብእኡ ዝውከሉ ዘበሉ ዋልታኦም እዩ።
31ብዘይ እግዚኣብሄር እሞ መን እዩ ኣምላኽ፧
ብዘይ ኣምላኽናኸ መን እዩ ኸውሒ፧
32እቲ ሓይሊ ዘዕጥቐኒ፡
ንመገደይ ከኣ ዘቕንዓ ኣምላኽ፡
33ንሱ ነእጋረይ ከም ናይ እራብ ዝገብረን፡
ኣብቲ በሪኽ ቦታይ ዘቑመኒ፡
34ንሱ ነእዳወይ ውግእ፡ ንቐላጽመይ ድማ
ምግታእ ቀስቲ ኣስራዚ ዘልመደን እዩ።
35ዋልታ ምድሓንካ ድማ ሂብካኒ፡
የማነይቲ ኢድካውን ደጊፋትኒ፡
ሕያውነትካ ድማ ዓብዪ ገይሩኒ።
36ኣእጋረይ ከይሰናኸላስ፡
ንመገደይ ኣብ ትሕቲ ስጕምተይ ተርሕባ ኢኻ።
37ንጸላእተይ ሰጒጐዮምን ኣርኪበዮምን፡
ከየጥፋእክዎም ከኣ ኣይተመለስኩን።
38ወቒዐዮምሲ ኽትንስኡ ኣይተኻእሎምን፡
ኣብ ትሕቲ ኣእጋረይ ወዲቖም።
39ንውግእሲ ሓይሊ ኣዕጢቕካኒ፡
ንተቓወምተይ ኣብ ትሕተይ ኣድኒንካዮም።
40ዝባን ጸላእተይ ከኣ ሂብካኒ፡
ንዝጸልኡኒውን ኣጥፊኤዮም።
41ኣእውዮምሲ ዘድሕኖም ኣይነበረን፡
ናብ እግዚኣብሄር ኣእውዮም፡ ኣይመለሰሎምን።
42ከምቲ ንንፋስ ዝውፈ ሓመድ ደቑሰዮም፡
ከምቲ ጭቃ መገዲ ዀስቲረዮም።
43ካብ ክርክር ህዝቢ ኣናጊፍካኒ፡
ርእሲ ኣህዛብ ጌርካኒ፡
ዘይፈለጥክዎ ህዝቢ ተገዚኡኒ፡
44ብምስማዕ እዝኒ ጥራይ ተአዚዞምኒ፡
ደቂ መጻእተኛታት ወስሊቶምለይ።
45ደቂ መጻእተኛታት ጸምልዮም፡
እናንቀጥቀጡ ኻብ ከውሎም ወጺኦም።
46እግዚኣብሄር ህያው እዩ፡
ከውሐይ ብሩኽ ይኹን፡
ኣምላኽ ምድሓነይ ልዕል ይበል።
47እቲ ሕነ ዝፈድየለይ፡
ነህዛብውን ዘግዝአለይ፡
48ካብ ጸላእተይ ዘውዕለንስ ኣምላኽ እዩ።
እወ፡ ኣብ ልዕሊ ተጻረርተይ ልዕል እተብለኒ፡
ካብቲ ዓመጸኛ ሰብ እትበልሃኒ ንስኻ ኢኻ።
49ስለዚ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡
ኣብ ማእከል ኣህዛብ ከመስግነካ፡
ንስምካውን ክዝምረሉ እየ።
50ዓብዪ ድሕንነት ንንጉስ ይገብረሉ፡
ንቕቡኡ፡ ንዳዊት፡ ንዘርኡ ኸኣ
ንዘለኣለም ምሕረት ይገብረሎም።
መበል 19 መዝሙር።
ንሊቀ መዘምራን፡ ናይ ዳዊት መዝሙር።
1ሰማያት ክብሪ ኣምላኽ የዘንትዉ፡
ጠፈር ከኣ ግብሪ ኣእዳዉ የውሪ።
2ሓንቲ መዓልቲ ነታ ሓንቲ ትዛንያ፡
ሓንቲ ለይቲ ድማ ነታ ሓንትስ ፍልጠት ተሕልፈላ።
3ዘረባ የልቦን፡ ምዝርራብ የልቦን፡
ድምጾምውን ኣይስማዕን እዩ።
4ገመዶም ናብ ኵላ ምድሪ፡
ቃላቶም ድማ ክሳዕ ወሰን ዓለም ይወጽእ ኣሎ፡
ንጸሓይ ከኣ ድንኳን ተኸለሎም።
5ንሳ ኸም መርዓዊ ኻብ ሕልፍኚ ትወጽእ፡
ከም ጅግና ኸኣ ንምጕያይ መገዲ ትሕጐስ ኣላ።
6ምውጻኣ ኻብ ወሰን ሰማያት እዩ፡
ምዝዋራ ድማ ክሳዕ ወሰነን እዩ፡
ካብ ረስና ዝኽወል ከኣ የልቦን።
7ሕጊ እግዚኣብሄር ፍጹም እዩ፡ ንነፍሲ ይመልሳ።
ምስክር እግዚኣብሄር እሙን እዩ፡ ንገርሂ የጥብቦ።
8ስርዓት እግዚኣብሄር ቅኑዕ እዩ፡ ንልቢ የሐጕሶ፡
ትእዛዛት እግዚኣብሄር ንጹህ እዩ፡ ነዒንቲ የብርሀን።
9ፍርሃት እግዚኣብሄር ንጹህ እዩ፡ ንዘለአለም ይነብር፡
ፍርድታት እግዚኣብሄር ሓቂ እዩ፡ ብዘሎውን ጻድቕ እዩ።
10ካብ ወርቂ፡ አረ ኻብ ብዙሕ ጽሩይ ወርቂ እኳ ዝሕረ እዩ፡
ካብ መዓር፡ አረ ኻብ መዓር ወለላ ዝጥዕም እዩ።
11ባርያኻውን ብእኡ ተማሂሩ፡
ብምሕላዉ ዓብዪ ኻሕሳ ኣሎ።
12ንጌጋታቱ ዝፈልጥ መን እዩ፧
ካብቲ እተሰወረኒ ኣንጽሃኒ።
13ንባርያኻ ኻብ ትዕቢት ሓልዎ፡
ኣብ ልዕለይ ከይስልጥንውን ዕገቶ፡
ሽዑ ምሉእ ክኸውን፡ ካብ ዓብዪ ኣበሳ ኸኣ ክነጽህ እየ።
14ዎ እግዚኣብሄር፡ ከውሐይን መድሓንየይን፡
ቃላት ኣፈይን ሓሳባት ልበይን ኣብ ቅድሜኻ ብሁግ ይኹን።
መበል 20 መዝሙር።
ንሊቀ መዘምራን፡ ናይ ዳዊት መዝሙር።
1እግዚኣብሄር ብመዓልቲ ጸበባ ይስማዕካ፡
ስም ኣምላኽ ያእቆብ ልዕል የብልካ።
2ካብ መቕደስ ረዲኤት ይስደደልካ፡
ካብ ጽዮን ከኣ ይደግፍካ።
3ንመስዋእቲ ብልዕኻ ዘበለ ይዘክሮ፡
ንመስዋእቲ ምሕራርካውን ይቀበሎ። ሴላ።
4ነቲ ልብኻ ዝምነዮ ይሃብካ፡
ንምኽርኻ ዘበለውን ይፈጽሞ።
5ብምንጋፍካ እልል ንብል፡
ንሰንደቕ ዕላማውን ብስም ኣምላኽና ነልዕሎ፡
ንኹሉ ልማኖኻ እግዚኣብሄር ይፈጽሞ።
6ንቕቡእ እግዚኣብሄር ከም ዘድሕኖ፡ሕጂ ፈለጥኩ፡
ብናይ እታ የማነይቲ ሓይሊ ምድሓን
ካብ ቅድስቲ ሰማዩ ኽመልሰሉ እዩ።
7ገሊኣቶም ብሰረገላታት ገሊኣቶምውን በፍራስ ይእመኑ፡
ንሕና ግና ንስም እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኽንዝክሮ ኢና።
8ንሳቶም ደኒኖም ወዲቖም፡
ንሕና ግና ደልዲልና ንቐውም።
9ዎ እግዚኣብሄር፡ ንንጉስ ኣድሕኖ፡
በታ እንጠርዓላ መዓልቲ ይስምዓና።
መበል 21 መዝሙር።
ንሊቀ መዘምራን፡ ናይ ዳዊት መዝሙር።
1ዎ እግዚኣብሄር፡ ንጉስ ብሓይልኻ ይሕጐስ፡
ብምድሓንካኸ ክንደይ ኣዝዩ ዘይፍሳህ።
2ትምኒት ልቡ ሂብካዮ፡
ልማኖ ኸናፍሩውን ኣይከላእካዮን። ሴላ።
3ምስ በረኸት ሰናይ ተቓባቢልካዮ ኢኻ እሞ፡
ኣብ ርእሱ ዘውዲ ጽሩይ ወርቂ ደፋእካሉ።
4ህይወት ለመነካ፡
ምንዋሕ ዕድመ ንሓዋሩ ንዘለኣለም ሃብካዮ።
5ብሳላ ምድሓንካ ኽብሩ ዓብዪ እዩ፡
ድንቅን ግርማን ድማ ወሰኽካዮ።
6ንዘለኣለም ንበረኸት ጌርካዮ ኢኻ እሞ፡
ኣብ ቅድሜኻ ብደስታ ኣሐጐስካዮ።
7እቲ ንጉስ ብእግዚኣብሄር ይእመን እዩ እሞ፡
ብምሕረት እቲ ልዑል ከቶ ኣይክዘናባዕን እዩ።
8ንጸላእትኻ ዘበሉ ኢድካ ኽትረኽቦም እያ፡
የማነይትኻ ነቶም ዝጸልኡኻ ኽትረኽቦም እያ።
9ምስ እትበጽሖምሲ፡ ከም ርሱን እቶን ክትገብሮም ኢኻ።
እግዚኣብሄር ብቑጥዓኡ ኽውሕጦም፡
ሓዊ ድማ ክበልዖም እዩ።
10ንፍሬኦም ካብ ምድሪ፡
ንዘርኦምውን ካብ ማእከል ደቂ ሰብ ከተጥፍኦ ኢኻ።
11ክፍኣት ሓሊኖምልካ እዮም እሞ፡
ዘየስልጥዎ እከይ መኸሩ።
12ዝባኖም ከተምልሶም ኢኻ እሞ፡
ቀስትኻ ናብ ግምባሮም ኣቢልካ ኸተዳሉ ኢኻ።
13ዎ እግዚኣብሄር፡ ብሓይልኻ ልዕል በል፡
ንስልጣንካ ኽንምዝርን ክንውድስን ኢና።
መበል 22 መዝሙር።
ንሊቀ መዘምራን ፡ ብኣይሌት ሃሽሃር። ናይ ዳዊት መዝሙር።
1ኣምላኸይ፡ ኣምላኸይ፡ ስለምንታይ ሓደግካኒ፧
ካብ ምርዳአይን ካብ ቃላት ኣውያተይን ርሑቕ ኢኻ።
2ዎ ኣምላኸይ፡ ብመዓልቲ እጠርዕ፡
ንስኻ ግና ኣይትመልስን፡
ብለይቲውን ትም ኣይብልን።
3ኣታ ብማህሌት እስራኤል እትነብር፡
ንስኻ ቅዱስ ኢኻ።
4ኣቦታትና ኣባኻ ተወኪሎም እዮም፡
ተወኪሎም፡ ንስኻውን ኣናገፍካዮም።
5ኣባኻ ኣእወዩ እሞ ደሓኑ፡
ኣባኻ ተወከሉ እሞ ኣይሓፈሩን።
6ኣነ ግና ሓሰኻን መላገጽ ሰብን፡
ብህዝቢ እተናዕቀን እየ እምበር፡ ሰብሲ ኣይኰንኩን።
7-8፡ዝርእዩኒ ዘበሉ የባጭዉለይ፡
ኣብ እግዚኣብሄር ይተዓቘብ፡ እስኪ የናግፎ፡
ብሂግዎ እዩ እሞ፡ ንሱ የድሕኖ፡
ኢሎም ርእሶም እናነቕነቑ
ኸናፍሮም ይርምጥጡለይ ኣለዉ።
9ግናኸ ካብ ማሕጸን ወላዲት ዘውጻእካኒ፡
ኣብ ኣጥባት እኖይ ብርግኣት ዘዕረፍካኒ ንስኻ ኢኻ።
10ካብ ማሕጸን ወላዲት ኣባኻ ወደቕኩ፡
ካብ ከርሲ እኖይ ጀሚርካ ንስኻ ኣምላኸይ ኢኻ።
11ጭንቂ ቐሪቡ ኣሎ፡ ዝሕግዘኒውን የልቦን እሞ፡
ካባይ ኣይትርሓቕ።
12ብዙሓት ኣረውሕ ከቢቦምኒ፡
ብርቱዓት ኣረውሕ ባሳን ኣማእኪሎምኒ።
13ከምቲ ዝዝርፍን ዝጓዝምን ኣንበሳስ
ጐረሮኦም ይኸፍቱለይ ኣለዉ።
14ኣነ ኸም ማይ ፈሰስኩ፡
ብዘሎ ኣዕጽምተይ ተፋላልዩ፡
ልበይ ከም ስምዒ ዀነ፡
ኣብ ማእከል ኣምዑተይ ከኣ መኸኸ።
15ሓይለይ ከም ገልዒ ነቒጹ፡
ልሳነይ ኣብ ትንሓገይ ጠቢቑ፡
ናብ መሬት ሞት ኣውዲቕካኒ።
16ኣኽላባት ከቢቦምኒ፡
ኣኼባ ገበርቲ እከይ ኣማእኪሎምኒ፡
ኣእዳወይን ኣእጋረይን ሸንኪሮምዎ እዮም እሞ፡
17ንዅሉ ኣዕጽምተይ ክቘጽሮ እኽእል እየ፡
ንሳቶም ይጥምቱንን ይዕዘቡንን ኣለዉ።
18ንኽዳውንተይ ይማቐልዎ፡
ንቐምሸይውን ዕጻ የውድቑሉ።
19ጐይታየ፡ ንስኻ ግና ካባይ ኣይትርሓቕ፡
ንስኻ ሓይለይ ኢኻ፡ ንምርዳአይ ቀልጥፍ።
20ንነፍሰይ ካብ ሴፍ፡
ነታ ቐንደይ ከኣ ካብ ኢድ ኣኽላባት ኣናግፋ።
21ካብ ኣፍ ኣንበሳ ኣድሕነኒ፡
ካብ ቀርኒ ጐባይ ሰማዕካኒ።
22ስምካ ነሕዋተይ ከዘንትወሎም፡
ኣብ ማእከል ማሕበር ከመስግነካ እየ።
23ኣቱም ንእግዚኣብሄር እትፈርሁ፡ ኣመስግንዎ።
ኣቱም ዘርኢ ያእቆብ ዘበልኩም፡ ወድስዎ፡
ዘርኢ እስራኤል ኵሉኹምውን፡ ፍርህዎ።
24ንጸበባ እቲ ጥቑዕ ኣይነዓቖን፡ ኣየዋረዶን እዩ እሞ፡
ናብኡ ምስ ኣእወየስ፡ ሰምዖ እምበር፡
ንገጹ ኻብኡ ኣይከወሎን።
25እቲ ኣብ ዓብዪ ማሕበር ዘሎኒ ናእዳይ ካባኻ እዩ።
ኣብ ቅድሚ ዝፈርህዎ መብጽዓይ ክፍጽም እየ።
26ትሑታት ክበልዑን ክጸግቡን፡
ንእግዚኣብሄር ዝደልይዎ ኽውድስዎ እዮም፡
ልብኹም ንዘለኣለም ብህይወት ክነብር እዩ።
27ወሰን ምድሪ ዅሎም
ንእግዚኣብሄር ክዝክርዎን ክምለስዎን፡
ብዘለዉ ነገድ ኣህዛብውን ኣብ ቅድሜኻ ክሰግዱ እዮም።
28መንግስቲ ናይ እግዚኣብሄር እያ እሞ፡
ንሱውን ኣብ ኣህዛብ ክጕይተት እዩ።
29ናይ ምድሪ ስቡሓት ዘበሉ ኽበልዑን ክሰግዱን፡
እቶም ናብ መሬት ዝወርዱ ዅላቶም እሞ
ብህይወት ክነብሩ ዘይኽእሉ ኣብ ቅድሚኡ ኽሰግዱ እዮም።
30ዘርኢ ኽግዝኣሉ፡ ንዝመጽእ ወለዶ
ብዛዕባ እግዚኣብሄር ከዘንትውሉ እዮም።
31ንሱ ኸም ዝገበሮ፡ ነቲ ዝውለድ ህዝቢ
መጺኦም ጽድቁ ኽነግርዎ እዮም።
መበል 23 መዝሙር።
ናይ ዳዊት መዝሙር።
1እግዚኣብሄር ጓሳይየይ እዩ፡
ዝጐድለኒ የብለይን።
2ኣብ ልሙዕ ሸኻ የውዕለኒ፡
ናብ ዝዓርፈሉ ማይ ይመርሓኒ።
3ንሱ ንነፍሰይ የህድኣ፡
ምእንቲ ስሙ ኢሉ ብመገዲ ጽድቂ ይመርሓኒ።
4በትርኻን ምርኵስካን የጸናንዓኒ እዩ፡
ንስኻ ምሳይ ኢኻ እሞ፡
ብርባርባ ድነ ሞት እኳ እንተ ኸድኩ፡
ክፉእ ኣይፈርህን እየ።
5ንስኻ ኣብ ቅድሚ ገጽ ጸላእተይ መአዲ ትሰርዓለይ፡
ንርእሰይ ብዘይቲ ትለኽዮ፡
ጽውአይ ይጅርብብ ኣሎ።
6ብሓቂ ሳህልን ምሕረትን ብዅሉ ዕድመይ ክስዕባኒ እየን፡
ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ከኣ ንዘለኣለም ክነብር እየ።
መበል 24 መዝሙር።
ናይ ዳዊት መዝሙር።
1-2እግዚኣብሄር ንምድሪ ኣብ ባሕሪ ሰሪትዋ
ኣብ ወሓይዝውን ኣጽኒዕዋ እዩ እሞ፡
ንሳን ምልኣታን፡ ዓለምን ዚነብርዋን ናቱ እዮም።
3ናብ ከረን እግዚኣብሄር ዚድይብ መን እዩ፧
ኣብቲ ቕዱስ ቦታኡ ዚቐውምሲ መን እዩ፧
4እቲ ንጹህ ዝኣእዳዉን ንጹህ ዝልቡን፡
ነፍሱ ናብ ከንቱ ዘየልዕል፡
ብጥበራ ዘይምሕል ሰብ እዩ።
5ንሱስ በረኸት ካብ እግዚኣብሄር፡
ጽድቂውን ካብ ናይ ምድሓኑ ኣምላኽ ኪቕበል እዩ።
6እቶም ዚደልይዎ ወለዶ እዚኣቶም እዮም፡
ንገጽካ ዚደልዩ፡ ዎ ኣምላኽ ያእቆብ። ሴላ።
7ኣቱም ደጌታት፡ ርእስኻትኩም ኣልዕሉ፡
ዎ ናይ ዘለአለም ደጌታት፡ ልዕል በሉ፡
እቲ ንጉስ ክብሪውን ኪአቱ እዩ።
8እዚ ንጉስ ክብሪኸ መን እዩ፧
እቲ ብርቱዕን ሓያልን እግዚኣብሄር፡
ኣብ ውግእ ዝብርቱዕ እግዚኣብሄር እዩ።
9ኣቱም ደጌታት፡ ርእስኻትኩም ኣልዕሉ፡
ዎ ናይ ዘለአለም ደጌታት፡ ልዕል በሉ፡
እቲ ንጉስ ክብሪውን ኪአቱ እዩ።
10እዚ ንጉስ ክብሪ እዚ መን እዩ፧
ጐይታ ሰራዊት፡ እቲ ንጉስ ክብሪ ንሱ እዩ። ሴላ።
መበል 25 መዝሙር።
ናይ ዳዊት።
1ዎ እግዚኣብሄር፡ ነፍሰይ ናባኻ አልዕል ኣሎኹ።
2ዎ ኣምላኸይ፡ ኣባኻ ተወኪለ እኔኹ።
ኣይተሕፍረኒ፡ ጸላእተይ ብኣይ ደስ ኣይበሎም።
3ንኣኻ ዝጽበዩ ከቶ ኣይክሓፍሩን፡
እቶም ብዘይ ምኽንያት ዝጠልሙ ግና ክሓፍሩ እዮም።
4ዎ እግዚኣብሄር፡ ጐደናታትካ ኣፍልጠኒ፡
መገድታትካ ምሃረኒ።
5ንስኻ ኣምላኽ ምድሓነይ ኢኻ እሞ፡
ብሓቅኻ ምርሓንን ኣስተምህረንን።
ኵሉ መዓልቲ እጽበየካ ኣሎኹ።
6ዎ እግዚኣብሄር፡ ምሕረትካን ሳህልኻን
ካብ ዘለኣለም እየን እሞ፡ ዘክረን።
7ዎ እግዚኣብሄር፡
ንሓጢኣት ንእስነተይን ኣበሳይን ኣይትዘክሮ፡
ከም ለውሃትካ፡ ስለ ሳህልኻ ኢልካ ዘክረኒ።
8እግዚኣብሄር ሰናይን ቅኑዕን እዩ፡
ስለዚ ንሓጥኣን መገዱ ኽምህሮም እዩ።
9ንትሑታት ብፍርዲ ኽመርሖም፡
ንትሑታትውን መገዱ ኸስተምህሮም እዩ።
10ነቶም ኪዳኑን ምስክራቱን ዝሕልውስ፡
መገድታት እግዚኣብሄር ኵላተን ሳህልን ሓቅን እየን።
11ዎ እግዚኣብሄር፡ በደለይ ዓብዪ እዩ እሞ፡
ስለ ስምካ ኢልካ ይቕረ በለለይ።
12ንእግዚኣብሄር ዝፈርሆ ሰብ መን እዩ፧
ንእኡ እታ ዝሓርያ መገዲ ኽምህሮ እዩ።
13ነፍሱ ብደሓን ክትነብር፡
ዘርኡውን ንምድሪ ኽወርሳ እዩ።
14ምስጢር እግዚኣብሄርሲ ነቶም ዝፈርህዎ እዩ፡
ንሱውን ኪዳኑ ኸፍልጦም እዩ።
15ነእጋረይ ካብ መርበብ ከውጽአን እዩ እሞ፡
ኣዒንተይ ኵሉ ግዜ ናብ እግዚኣብሄር እየን።
16ኣነ በይነይን ሽጉርን እየ እሞ፡
ናባይ ቁሊሕ በል፡ ደንግጸለይውን።
17ጭንቀት ልበይ ዓዚዙ፡ ካብ ጸበባይ ኣውጽኣኒ።
18ንመከራይን ጭንቀይን ርኣዮ እሞ፡
ንዅሉ ሓጢኣተይ ሕደገለይ።
19ጸላእተይ በዚሖም እዮም እሞ፡ ርኣዮም፡
ግፍዐኛ ጽልኢ ይጸልኡኒ ኣለዉ።
20ንነፍሰይ ሓልዋ ኣድሕነኒውን፡
ኣባኻ እውከል ኣሎኹ እሞ፡ ኣይተሕፍረኒ።
21ብኣኻ ተስፋ ገይረ ኣሎኹ እሞ፡
ንጽህናን ቅንዕናን ይሓልዋኒ።
22ዎ ኣምላኽ፡ ንእስራኤል ካብ ኵሉ ጸበባኡ ኣናግፎ።
መበል 26 መዝሙር።
ናይ ዳዊት።
1ዎ እግዚኣብሄር፡ ብንጽህና ተመላሊሰ፡
ከይተሓንኰሉ ኸኣ
ኣብ እግዚኣብሄር ተወኪለ እየ እሞ፡ ፍረደለይ።
2ዎ እግዚኣብሄር፡ መርምረንን ተዓዘበንን፡
ንልበይን ኰላሊተይን መርምሮ።
3ሳህልኻ ኣብ ቅድሚ ኣዒንተይ እዩ እሞ፡
ብሓቅኻ እመላለስ ኣሎኹ።
4ምስ ሓሰውቲ ሰባት ኣይተቐመጥኩን፡
ምስ ኣምሰሉታትውን ኣይከድኩን።
5ንማሕበር እኩያት እጸልኣ፡
ምስ ረሲኣንውን ኣይቅመጥን እየ።
6-7፡ዎ እግዚኣብሄር፡ ነእዳወይ ብንጽህና እሓጽበን፡
ድምጺ ምስጋና ኸስምዕ፡
ንብዘሎ ተኣምራትካውን ምእንቲ ኸዘንትዎስ፡
ንመሰውኢኻ እዞሮ ኣሎኹ።
8ዎ እግዚኣብሄር፡ ንቤት ማሕደርካ፡
ነቲ ኽብርኻ ዝነብረሉ ቦታ አፍቅሮ እየ።
9-10ንነፍሰይ ምስቶም ኣብ ኣእዳዎም
ዓመጻ ዘለዎም ሓጥኣን፡
ንህይወተይ ከኣ ምስቶም የማነይቲ ኢዶም
መማለጃ ዝመልአትሰብ ደም ኣይትመንጥላ።
11ኣነስ ብንጽህናይ እየ ዝመላለስ፡
ኣድሕነኒ ምሓረኒውን።
12እግረይ ኣብ ጥጡሕ ቦታ ደው ኢላ ኣላ፡
ኣብ ማሕበራት ንእግዚኣብሄር ከመስግኖ እየ።
መበል 27 መዝሙር።
ናይ ዳዊት።
1እግዚኣብሄር ብርሃነይን ምድሓነይን እዩ፡
ካብ መን ደኣ እየ ዝፈርህ፧
እግዚኣብሄር ሓይሊ ህይወተይ እዩ፡
ካብ መንከ እየ ዝስምብድ፧
2ገበርቲ እከይ ንስጋይ ክውሕጡ ሓደጋ ምስ ወደቑኒ፡
ወደረኛታተይን ጸላእተይን ባዕላቶም ተዛብዑ እሞ ወደቑ።
3ክቃወመኒ ኢሉ እኳ ሰራዊት እንተ ዝሰፍር፡
ልበይ ኣይፈርህን እዩ፡
ኵናትውን እንተ ዝለዓለኒ፡ እምነት ኣሎኒ።
4-5ብመዓልቲ ጸበባ ኣብ ዳሱ ኽሓብኣኒ፡
ኣብ ውሻጠ ድንኳኑ ክኽውለኒ፡
ኣብ ከውሒ ልዕል ከብለኒ እዩ እሞ፡
ንእግዚኣብሄር ሓንቲ ነገር ለሚነዮ።
ውቃበ እግዚኣብሄር ንምርኣይ፡
መቕደሱውን ንምምርማርሲ ምሉእ ዕድመይ
ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ክነብር ደልየ ኣሎኹ።
6ሎሚ ኸኣ ርእሰይ ኣብቶም ዝኸቡኒ ጸላእተይ
ልዕል ክብል እዩ፡
ኣብ ድንኳኑውን መስዋእቲ ብእልልታ ከቕርብ፡
ንእግዚኣብሄር ክዝምረሉን ክውድሶን እየ።
7ዎ እግዚኣብሄር፡ ንድምጸይ ስምዓዮ፡
ኣባኻ እምህለል ኣሎኹ፡ ምሓረኒ እሞ ምለሰለይ።
8ልበይ ኣብ ክንዳኻ ዀይኑ፡ ንገጸይ ድለይዎ ይብለኒ ኣሎ።
ዎ እግዚኣብሄር፡ ንገጽካ እደልዮ እኔኹ።
9ገጽካ ኣይትሕብኣለይ፡
ንባርያኻ ብቑጥዓ ኣይትደርብዮ፡
ንስኻ ረዳተይ ኢኻ እሞ፡
ዎ ኣምላኽ ድሕንነተይ፡ ኣይትጠንጥነኒ፡ ኣይትሕደገኒ።
10ኣቦይን እኖይን እኳ እንተ ዝጥንጥኑኒ፡
እግዚኣብሄርሲ ይእርንበኒ እዩ።
11ዎ እግዚኣብሄር፡ መገድኻ ምሃረኒ፡
ብምኽንያት ጸላእተይ ኰታ በታ ቕንዕቲ መገዲ ምርሓኒ።
12ሓሰውቲ ምስክር ዓመጻ ዘተንፍሱን ሰባት
ተላዒሎም እዮም እሞ፡
ንኣደዳ ተጻረርተይ ኣይተሕልፈኒ።
13ኣየ፡ ለውሃት እግዚኣብሄር ኣብ ምድሪ ህያዋን
ከም ዝርአዮ እንተ ዘይኣምንሲ …
14ብእግዚኣብሄር ተሰፎ፡
በርትዕ፡ ልብኻ ቀጥ ይበል፡ ኣጆኻ፡
እወ፡ ብእግዚኣብሄር ተስፋ ግበር።
መበል 28 መዝሙር።
ናይ ዳዊት።
1ዎ እግዚኣብሄር፡ ናባኻ አእዊ ኣሎኹ፡
ከይመለስካለይ ስቕ እንተ በልካ፡
ኣነ ነቶም ናብ ጕድጓድ ዝወርዱ ኸይመስልሲ፡
ዎ ኸውሐይ፡ ኣይትጽመመኒ።
2ነእዳወይ ናብ ቅድስተ ቕዱሳን ኣልዒለ፡
ናባኻ ኽምህለል ከሎኹ፡ንድምጺ ጸሎተይ ስምዓዮ።
3ምስ ረሲኣንን ምስቶም
ኣብ ልቦም ክፍኣት ከለዎምሲ፡
ምስ ብጾቶም ሰላም ዝዛረቡ ገበርቲ እከይን ኣይትጕተተኒ።
4ከም ግብሮምን ከም ክፍኣት ስራሖምን ሃቦም፡
ከም ተግባር ኣእዳዎም ምለሰሎም፡
እቲ ዝገበርዎ ፍደዮም።
5ንግብርታት እግዚኣብሄርን
ንተግባር ኣእዳዉን ኣየስተንትንዎን እዮም እሞ፡
ከፍርሶም ኣይክሃንጾምን ድማ እዩ።
6እግዚኣብሄር ንድምጺ ጸሎተይ ሰሚዕዎ እዩ እሞ፡
ስብሓት ይዅኖ።
7እግዚኣብሄርሲ ሓይለይን ዋልታይን እዩ፡
ልበይ ብእኡ ተወኪሉ፡ ኣነውን ተረዲአ፡
ስለዚ ልበይ ይፍሳህ ኣሎ፡
ብመዝሙረይ ድማ ክውድሶ እየ።
8እግዚኣብሄርሲ ሓይሎም እዩ፡
ንቕቡኡውን ዕርዲ ምድሓን እዩ።
9ንህዝብኻ ኣድሕኖ፡ ንርስትኻ ድማ ባርኮ፡
ጓስዮም፡ ንሓዋሩ ኸኣ ጹሮም።
መበል 29 መዝሙር።
ናይ ዳዊት መዝሙር።
1ኣቱም ውሉድ ብርቱዓት፡ ንእግዚኣብሄር ሃቡ፡
ንእግዚኣብሄር ክብርን ሓይልን ሃብዎ።
2ንእግዚኣብሄር እቲ ንስሙ ዝግብኦ ኽብሪ ሃብዎ
ንእግዚኣብሄር ብጌጽ ቅድስና ስገዱሉ።
3ድምጺ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ማያት እዩ፡
ኣምላኽ ክብሪ የንጐድጕድ ኣሎ፡
እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ብዙሕ ማያት እዩ።
4ድምጺ እግዚኣብሄር ብስልጣን፡
ድምጺ እግዚኣብሄር ብግርማ እዩ።
5ድምጺ እግዚኣብሄር ንጽሕድታት ይሰብሮ፡
እግዚኣብሄር ንጽሕዲ ሊባኖስ ይሰባብሮ።
6ንሊባኖስን ንስርዮንን ከም ብተይ፡
ከም ጣዕዋ ጐባይ የዐንድሮም።
7ድምጺ እግዚኣብሄር ንሃልሃልታ ሓዊ ይስንጥቖ።
8ድምጺ እግዚኣብሄር ንምድረ በዳ የንቀጥቅጦ፡
እግዚኣብሄር ንምድረ በዳ ቃዴስ የንቀጥቅጦ እዩ።
9ድምጺ እግዚኣብሄር ንእራባት የውልደን፡ ንዱር የርግፎ፡
ኣብ መቕደሱውን ኵሉ፡ ክብሪ፡ ይብል ኣሎ።
10እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ማይ ኣይሂ ተቐመጠ፡
ኤረ እግዚኣብሄርሲ ንዘለኣለም ነጊሱ ክቕመጥ እዩ።
11እግዚኣብሄር ንህዝቡ ሓይሊ ይህቦ፡
እግዚኣብሄር ንህዝቡ ብሰላም ይባርኾ።
መበል 30 መዝሙር።
ማህሌት ንምሕዳስ ቤት መቕደስ። ናይ ዳዊት።
1ንላዕሊ ስሒብካኒ፡
ንጸላእተይውን ብኣይ ኣየሓጐስካዮምን እሞ፡
ዎ እግዚኣብሄር፡ ልዕል አብለካ ኣሎኹ።
2ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፡
ኣነ ናባኻ ኣእወኹ፡ ንስኻውን ኣጥዐኻኒ።
3ዎ እግዚኣብሄር፡ ንነፍሰይ ካብ ሲኦል ኣውጻእካያ፡
ናብ ጒድጓድ ከይወርድሲ፡ ንህይወት ኣድሓንካኒ።
4-5ኵራኡ ንቕጽበት ዓይኒ እዩ፡
ጸጋኡ ግና ንምሉእ ዕድመ ይጸንሕ፡
ምሸት ብኽያት ይሓድር፡
ንግሆ ግና እልልታ ይመጽእ እዩ እሞ፡
ኣቱም ቅዱሳኑ፡ ንእግዚኣብሄር ዘምሩሉ፡
ንቕዱስ ዝኽሩውን ኣመስግኑ።
6ኣነንከ ብራህዋይ፡ ከቶ ኣይከንደልህጽን እየ፡ በልኩ።
7ዎ እግዚኣብሄር፡ ብመጎስካ ንኸረነይ ኣጽኒዕካዮ፡
ገጽካ ኸወልካዮ፡ ኣነውን ሰምበድኩ።
8ዎ እግዚኣብሄር፡ ናባኻ አእውየ፡
ንእግዚኣብሄር ለሚነዮ፡ ከምዚ ኢለ፡
9ናብ ጕድጓድ እንተ ወረድኩስ፡
ካብ ደመይ እንታይ ክትረብሕ ኢኻ፧
መሬትዶ ኽውድሰካ፡ ንሓቅኻስ ክሰብኮ ድዩ፧
10ዎ እግዚኣብሄር፡ ስማዕ እሞ ምሓረኒ፡
ዎ እግዚኣብሄር፡ ረዳእየይ ኩን።
11-12ነፍሰይ ምእንቲ ኽትዝምረልካን ስቕ ከይትብልንሲ፡
ብኽያተይ ናብ ሳሕቂ ለዊጥካለይ፡
ከለይ ፈቲሕካስ፡ ደስታ ኣዕጢቕካኒ።
ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፡ ንዘለኣለም ክውድሰካ እየ።
መበል 31 መዝሙር።
ንሊቀ መዘምራን፡ ናይ ዳዊት መዝሙር።
1ዎ እግዚኣብሄር፡ ኣባኻ እውከል ኣሎኹ፡
ከቶ ኣይተሕፍረኒ፡ ስለ ጽድቅኻ ኢልካ ኣናግፈኒ።
2እዝንኻ ናባይ ኣድንን፡ ቀልጢፍካ ኣናግፈኒ፡
ጽኑዕ ከውሒ፡ ዕርዲ ምድሓነይ ኩነኒ።
3እምባይን ዕርደይን ንስኻ ኢኻ እሞ፡
ስለ ስምካ ኢልካ ምርሓኒ ኣሳልየኒውን።
4ንስኻ ጸግዐይ ኢኻ እሞ፡
ካብቲ ብሕቡእ ዘጻወዱለይ መፈንጠራ ኣውጽኣኒ።
5ንመንፈሰይ ኣብ ኢድካ አማዕቍባ ኣሎኹ፡
ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሓቂ፡ ኣድሒንካኒ ኢኻ።
6ነቶም ናብ ከንቱነት ሓሶት ዝጽግዑ እጸልኦም እየ፡
ኣነ ግና ኣብ እግዚኣብሄር እየ ዝውከል።
7-8ንመከራይ ርኢኻዮ፡ ንጸበባ ነፍሰይ ፈሊጥካዮ፡
ናብ ኢድ ጸላኢ ኣይሃብካንን፡
ነእጋረይ ኣብ ገፊሕ ቦታ ደው ኣቢልካየን ኢኻ እሞ፡
ብምሕረትካ ኽፍሳህ ክሕጐስውን እየ።
9ዎ እግዚኣብሄር፡ ጸቢቡኒ እዩ እሞ ምሓረኒ፡
ዓይነይ፡ ነፍሰይ ከብደይውን ብሓዘን ማህሚኑ።
10ህይወተይ ብጓሂ፡ ዓመታተይ ብእህህታ ተወዲኡ፡
ሓይለይ ብኣበሳይ ላሕሊሑ፡
ኣዕጽምተይውን ማህሚኑ እዩ እሞ፡
11ብሰሪ ዅላቶም ጸላእተይሲ መጻረፊ ዀይነ፡
ንጐረባብተይ ኣውራ መጻረፊ፡
ንዝፈልጡኒ መፍርሂ ዀይነ፡
እቶም ኣብ ኣደባባይ ዝርእዩኒ ኻባይ ይሃድሙ ኣለዉ።
12ከም ምዉት ካብ ልቢ ተረሲዐ፡
ከም ስቡር ኣቕሓ ዀይነ።
13ሕሜት ብዙሓት ሰሚዐ ኣሎኹ እሞ፡
ኣብ ኵሉ ወገን ስምባድ ኣሎ።
ንጕድኣተይ ክመኽሩ ኸለዉ፡
ንህይወተይ ክነጥቅዋ ጠላለፉ።
14ኣነ ግና፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ኣባኻ እውከል ኣሎኹ፡
ኣነስ፡ ንስኻ ኣምላኸይ ኢኻ፡ በልኩ።
15ዕለታተይ ኣብ ኢድካ እየን፡
ካብ ኢድ ጸላእተይን ሰጐጕተይን ኣናግፈኒ።
16ንገጽካ ናብ ባርያኻ ኣብርሃዮ፡
ብሳህልኻ ኣድሕነኒ።
17ዎ እግዚኣብሄር፡
ናባኻ ተማህሊለ ኣሎኹ እሞ፡ ኣይተሕፍረኒ።
ረሲኣን ይሕፈሩ፡ ኣብ ሲኦልውን ስቕ ይበሉ።
18እተን ንጻድቕ ብትዕቢትን ንዕቀትን
ደፊረን ዝዛረባኦ ሓሰውቲ ኸናፍርሲ ይተዓበሳ ደኣ።
19ነቶም ዝፈርሁኻ ዝዓቘርካሎም፡
ነቶም ኣባኻ ዝምሕጸኑ፡
ኣብ ቅድሚ ደቂ ሰብ ዘዳሎኻዮ
ለውሃትካ ኽንደይ ዓብዪ እዩ።
20ካብ ውዲት ሰብ ብመሰወርያ ገጽካ ትኽውሎም፡
ካብ ክርክር መልሓስ ኣብ ድንኳንካ ትሓብኦም።
21ኣብ ጽንዕቲ ኸተማ ዘደንቕ ሳህሉ ኣርእዩኒ እዩ እሞ፡
እግዚኣብሄር ይባረኽ።
22ኣነስ ብስምባደይ፡
ካብ ኣዒንትኻ ተሰጕጐ እየ፡ በልኩ፡
ናባኻ እንተ ኣእዌኹ ግና፡ ድምጺ ጸሎተይ ሰማዕካ።
23ኣቱም ቅዱሳኑ ዅሉኹም፡ ንእግዚኣብሄር ኣፍቅርዎ።
እግዚኣብሄር ንእሙናት ይሕልዎም፡
ንዕቡይ ከኣ ኣብዚሑ ይፈድዮ እዩ።
24ኣቱም ብእግዚብሄር ተስፋ እትገብሩ ዅሉኹም፡
በርትዑ፡ ልብኹምውን ይጽናዕ።
መበል 32 መዝሙር።
ናይ ዳዊት መስኪል።
1ኣበሳኡ እተሓድገሉ፡
ሓጢኣቱ እተሰወረሉ ሰብ ብጹእ እዩ።
2እግዚኣብሄር በደሉ ዘይጽብጽበሉ፡
ኣብ መንፈሱውን ልግሚ ዘይብሉ ሰብ ብጹእ እዩ።
3ስቕ ኢለ ኸሎኹ፡
ምሉእ መዓልቲ ብምግዓረይ
ኣዕጽምተይ ዘርጋሕጋሕ በለ።
4ለይትን መዓልትን ኢድካ ኸበደትኒ እሞ፡
ከም ብሃሩር ሓጋይ ማራይ ነቐጸ። ሴላ።
5ሓጢኣተይ ኣፍለጥኩኻ፡
በደለይውን ኣይሰወርኩን፡ ሴላ።
ንእግዚኣብሄር ኣበሳይ ክናዘዘሉ እየ፡ በልኩ።
ንስኻውን እከይ ሓጢኣተይ ይቕረ በልካለይ።
6ስለዚ ደጊ ዘበለ ዅሉ ብእትርከበላ ግዜ ይልምነካ፡
ብሓቂ ብርቱዕ ውሒዝ እንተ ደፍኤውን፡
ኣይክበጽሖን እዩ።
7ንስኻ ኸውለይ ኢኻ፡ ካብ ጸበባ ትሕልወኒ፡
ብእልልታ ምድሓን ትኸበኒ፡ ሴላ።
8ኣነ ኽምህረካ፡
ነታ እትኸደላ መገዲ ድማ ከርእየካ እየ፡
ዓይነይ ናባኻ ኣቢለውን ክመኽረካ እየ።
9ከምቶም ኣእምሮ ዘይብሎም፡
ናባኻ ምቕራብ ስለ ዝኣበዩ፡
ብልባብን ብልጓምን ዝግርሑ ኣፍራስን ኣባቕልን ኣይትኹኑ።
10ንረሲእ ብዙሕ ስቓይ ኣለዎ፡
ነቲ ኣብ እግዚኣብሄር ዝውከል ግና፡
ንእኡ ብጸጋ ክኸቦ እዩ።
11ኣቱም ጻድቃን፡ ብእግዚኣብሄር ተሓጐሱ፡
ባህ ድማ ይበልኩም፡
ኣቱም ቅኑዓት ልቢ ዅላትኩም፡ እልል በሉ።
መበል 33 መዝሙር።
1ኣቱም ጻድቃን፡ ብእግዚኣብሄር እልል በሉ፡
ንቕኑዓትሲ ምስጋና ይግብኦም እዩ።
2ንእግዚኣብሄር ብመሰንቆ ኣመስግንዎ፡
ዓሰርተ ኣውታር ብዘለዎ በገና ዘምሩሉ።
3ሓድሽ መዝሙር ዘምሩሉ፡
ብእልልታ ኣጸቢቕኩም ቃንዩሉ።
4ቃል እግዚኣብሄር ቅኑዕ እዩ እሞ፡
ተግባሩ ዅሉውን እሙን እዩ።
5ጽድቅን ፍርድን ይፈቱ፡
ምድሪ ብሳህሊ እግዚኣብሄር መሊኣ እያ።
6ሰማያት ብቓል እግዚኣብሄር፡
ብዘሎ ሰራዊቶምውን ብስትንፋስ ኣፉ ተገብሩ።
7ንማያት ባሕሪ ኸም ኵልስስቲ ይዅምሮ፡
ንመዓሙቑ ኣብ መዛግብቲ ይእክቦ።
8-9ንሱ በለ፡ ኰነ ድማ፡
ንሱ ኣዘዘ፡ቈመ ኸኣ እሞ፡
ምድሪ ብመላኣ ንእግዚኣብሄር ትፍርሃዮ፡
ኣብ ዓለም ዝነብሩ ዅሎም ብእኡ ይሸበሩ።
10እግዚኣብሄር ንምኽሪ ኣህዛብ ከንቱ ይገብሮ፡
ንሓሳባት ህዝብታት የጥፍኦ።
11ምኽሪ እግዚኣብሄር ንዘለኣለም እዩ፡
ሓሳባት ልቡውን ካብ ወለዶ ንወለዶ ይቐውም።
12እግዚኣብሄር ዝኣምላኹ ህዝቢ፡
እቲ ንርስቱ ዝሓረዮ ህዝቢ ብጹእ እዩ።
13እግዚኣብሄር ካብ ሰማያት የማዕዱ፡
ንዅሎም ደቂ ሰብ ይጥምቶም፡
14-15እቲ ልቢ ዅላቶም ዝሰርሕ፡
ተግባር ኵላቶም ከኣ ዘስተብህልሲ፡
ንሱ ነቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ዅሎም
ካብ ቦታ ማሕደሩ ይምልከቶም እዩ።
16ንጉስ ብምብዛሕ ሰራዊቱ ኣይድሕንን፡
ጅግና ብዓብዪ ሓይሉ ኣይናገፍን።
17ፈረስ ንምድሓን ከንቱ እዩ፡
ብዓብዪ ሓይሉ ኣየናግፍን።
18-19እንሆ፡ ንነፍሶም ካብ ሞት ከተናግፋ፡
ብዘመን ጥሜትውን ብህይወት ከተንብሮም፡
ዓይኒ እግዚኣብሄር ናብቶም ዝፈርህዎ፡
ናብቶም ብምሕረቱ ተስፋ ዝገብሩ እያ።
20ነፍስና ንእግዚኣብሄር ትጽበዮ፡
ሓገዝናን ዋልታናን ንሱ እዩ።
21ኣብ ቅዱስ ስሙ ኣዕቁብና ኢና እሞ፡
ልብና ብእኡ ይሕጐስ ኣሎ።
22ዎ እግዚኣብሄር፡ ከምቲ ብኣኻ ተስፋ ዝገበርናዮ፡
ጸጋኻ ኣብ ልዕሌና ይኹን።
መበል 34 መዝሙር።
ናይ ዳዊት፡ ኣብ ቅድሚ ኣቢሜሌክ ዕቡድ ምስ መሰለ ተሰጒጉ ኸደ።
1ንእግዚኣብሄር ኵሉ ግዜ እባርኾ፡
ውዳሴኡ ንሓዋሩ ኣብ ኣፈይ እዩ።
2ነፍሰይ ብእግዚኣብሄር ክትሕበን እያ፡
ትሑታት እዚ ሰሚዖም ክሕጐሱ እዮም።
3ንእግዚኣብሄር ምሳይ ኣዕብይዎ፡
ንስሙ ሓቢርና ልዕል ነብሎ።
4ንእግዚኣብሄር ደሌኽዎ፡ ንሱውን መለሰለይ፡
ካብ ኵሉ ፍርሃተይ ኣናገፈኒ።
5ናብኡ ዝጥምቱ የንጸባርቑ፡ ገጾምውን ከቶ ኣይሓፍርን።
6እዚ መስኪን እዚ ኣእወየ፡ እግዚኣብሄርውን ሰምዖ፡
ካብ ኵሉ ጸበባኡ ኣድሓኖ።
7መልኣኽ እግዚኣብሄር ኣብ ዙርያ እቶም ዝፈርህዎ ይሰፍር
የናግፎም ከኣ እዩ።
8እግዚኣብሄር ሰናይ ምዃኑ ጥዓሙን ርአዩን፡
ኣብኡ ዝውከል ሰብ ብጹእ እዩ።
9ነቶም ዝፈርህዎ ገለ ኣይጐድሎምን እዩ እሞ፡
ኣቱም ቅዱሳኑ፡ ንእግዚኣብሄር ፍርህዎ።
10ኰራኵር ኣናብስ ይስእኑን ይጠምዩን፡
ንእግዚኣብሄር ዝደልይዎ ግና ሰናይ ዘበለ ከቶ ኣይጐድሎምን።
11ደቀየ፡ ፍርሃት እግዚኣብሄር ክምህረኩምሲ፡
ንዑ ስምዑኒ።
12ህይወት ዝፈቱ፡
ጽቡቕ መዓልትታት ክርኢ ዝደሊ ሰብ መን ኣሎ፧
13መልሓስካ ኻብ እከይ፡
ከናፍርካውን ካብ ምዝራብ ጥልመት ሓሉ፡
14ካብ እከይ ርሓቕ፡ ሰናይ ከኣ ግበር፡
ንሰላም ድለያ ስዓባውን።
15ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ናብ ጻድቃን፡
ኣእዛኑ ኸኣ ናብ ኣውያቶም እየን።
16ንመዘከርታኦም ካብ ምድሪ ምእንቲ ኸጥፍኦስ፡
ገጽ እግዚኣብሄር ናብቶም ገበርቲ እከይ እዩ።
17ጻድቃን የእውዩ፡ እግዚኣብሄር ድማ ይሰምዖም፡
ካብ ኵሉ መከራኦምውን የናግፎም።
18እግዚኣብሄር ነቶም ስቡር ልቢ ዘለዎም ቀረባኦም እዩ፡
ነቶም ቅጥቁጥ መንፈስ ዘለዎም ድማ የድሕኖም።
19ናይ ጻድቕ መከራ ብዙሕ እዩ፡
እግዚኣብሄር ግና ካብ ኵሉ የናግፎ።
20ንሱ ንዅለን ኣዕጽምቱ ይባልሀን፡
ሓንቲ እኳ ኣይትስበርን።
21ክፍኣት ንረሲእ ይቐትሎ፡
ንጻድቕ ዝጸልኡ ኸኣ ክዅነኑ እዮም።
22እግዚኣብሄር ንነፍሲ ባሮቱ ይብጀወን፡
ካብቶም ኣብኡ ዘዕቁቡ ኸኣ ሓደ እኳ ኣይኵነንን እዩ።
መበል 35 መዝሙር።
ናይ ዳዊት።
1ዎ እግዚኣብሄር፡ ነቶም ዝበኣሱኒ ተብኣሶም፡
ነቶም ዝዋግኡኒ ውግኣዮም።
2ዋልታን ገለብን ሓዝ እሞ፡ ንምርዳአይ ተንስእ።
3ኵናት ኣምበጥብጥ፡ መገዲ ሰጐጕተይውን ዕጾ፡
ንነፍሰይ፡ ምድሓንኪ ኣነ እየ፡ በላ።
4ንነፍሰይ ዝደልይዋ ይሕፈሩን ይነውሩን፡
ጥፍኣተይ ዝሓስቡ ንድሕሪት ይመለሱን ይሕፈሩን።
5ከምቲ ኣብ ቅድሚ ንፋስ ዘሎ ብቝቡቝ ይኹኑ፡
መልኣኽ እግዚኣብሄር ከኣ የባርሮም።
6-7ብዘይ ምኽንያት መፈንጠራኦም ብሕቡእ ዘርጊሖምለይ፡
ብዘይ ምኽንያት ንነፍሰይ
ጕድጓድ ኵዒቶምላ እዮም እሞ፡
መገዶም ጸልማትን መንደልህጾን ትኹን፡
መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ይስጐጎም።
8ብድንገት ጥፍኣት ይምጽኣዮ፡
እታ ዝሰወራ መፈንጠራኡ ትሓዞ፡
ንጥፍኣቱ ናብኣ ይውደቕ።
9ነፍሰይ ግና ብእግዚኣብሄር ባህ ክብላ፡
ብምድሓኑውን ክትሕጐስ እያ።
10ኣዕጽምተይ ኵለን፡ ዎ እግዚኣብሄር፡
ንስኻ ንመስኪን ካብቲ ዝሕይሎ፡
ንመስኪንን ድኻን ካብቲ ዝብዝብዞ ዘናግፍ፡
ንኣኻ ዝመስልከ መን ኣሎ፧ ክብላ እየን።
11ሓሰውቲ ምስክር ተንሲኦም፡
ዘይፈለጥክዎ ነገር ይሓቱኒ፡
12ኣብ ክንዲ ሰናይ እከይ ይፈድዮኒ፡
ነፍሰይ ዘኽቲማ ኣላ።
13ኣነስ፡ እንተ ሓመሙ፡ ከሊ ተኸደንኩ፡
ንነፍሰይ ብጾም ቀጻዕክዋ፡ ርእሰይ ኣድኒነ ጸሌኹ።
14ፈታውየይን ሓወይን ከም ዝነበረ ገይረ ተመላለስኩ፡
ብወላዲቱ ኸም ዝበኪ ደኒነ ሓዘንኩ።
15እንተ ሓንከስኩ ግና፡ ሓቢሮም ባህ በሎም፡
ክፉኣት ሓበሩለይ፡ ኣይፈለጥኩን ከኣ፡
ቀደዱኒ ኣይሓደጉንንውን፡
16ምስቶም ግቡዛት ዋዘኛታት ኰይኖም፡
ኣስናኖም ሓርቀሙለይ።
17ጐይታየ፡ ክሳዕ መኣዝከ ነዚ ኽትጥምቶ ኢኻ፧
ንነፍሰይ ካብ ጥፍኣቶም፡
ነታ ቐንደይ ካብ ኣናብስ ኣናግፋ።
18ኣብ ዓብዪ ማሕበር አመስግነካ፡
ኣብ ማእከል ብዙሓት ህዝቢ እውድሰካ።
19ነቶም ብኸምኡ ዝጻረሩኒ ብኣይ ኣይተሐጕሶም፡
እቶም ብዘይ ምኽንያት ዝጸልኡኒውን
በዒንቶም ኣይጣቐሱለይ።
20ሰላም ኣይዛረቡን እዮም እሞ፡
ነቶም ርጉኣት እታ ሃገርሲ
ጥልመት ይምህዙሎም ኣለዉ።
21ኣፎም ናባይ ሃህ ኣቢሎም፡
ኣሰይ ኣሰይ፡ ዓይንና ረአየቶ፡ ይብሉ ኣለዉ።
22ዎ እግዚኣብሄር፡ ርኢኻዮ ስቕ ኣይትበል፡
ጐይታየ፡ ካባይ ኣይትርሓቕ።
23ዎ ኣምላኸይ ጐይታይውን፡ ንመሰለይ ንቓሕ፡
ንነገረይ ድማ ተንስእ።
24ዎ እግዚኣብሄር፡ ኣምላኸይ፡
ከም ጽድቅኻ በይነለይ፡ ብኣይ ድማ ኣይተሐጕሶም።
25ብልቦም፡ ኣሰይ፡ ድሌትና ዀነ፡ ኣይበሉ፡
ወሓጥናዮ፡ ኣይበሉ።
26ነቶም ብጸገመይ ዝሕጐሱ ዅሎም
ኣሕቢርካ ኣሕፍሮምን ኣነውሮምን፡
እቶም ዝዕበዩለይ ውርደትን ነውርን ይልበሱ።
27እቶም ንጽድቀይ ዝፈትዉ
እልል ይበሉን ይተሓጐሱን፡ኵሉ ግዜውን፡
ናይ ባርያኡ ሰላም ዝፈቱ ጐይታ ዓብዪ እዩ፡ ይበሉ።
28መልሓሰይ ድማ ጽድቅኻ፡
ምሉእ መዓልቲውን ምስጋናኻ ኽትነግር እያ።
መበል 36 መዝሙር።
ንሊቀ መዘምራን፡ ናይ ዳዊት፡ ባርያ እግዚኣብሄር፡መዝሙር።
1ረሲእ ብውሽጢ ልቡ ኽፍኣት ይዛረብ፡
ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ፍርሃት እግዚኣብሄር የልቦን።
2ሓጢኣቱ ኸም ዘይርከብን ዘይጽላእንሲ፡
በዒንቱ ንርእሱ ይጥብራ እዩ እሞ፡
3ቃላት ኣፉ እከይን ጥልመትን እዩ፡
ጠቢብ ምዃንን ሰናይ ምግባርን ሓዲጉ።
4ኣብ ምድቃሱ ኽፍኣት ይፍሕስ፡
ኣብ ዘይጽብቕቲ መገዲ ይቐውም፡
ንእከይ ኣይጽየፎን እዩ።
5ዎ እግዚኣብሄር፡ ሳህልኻ ኽሳዕ ሰማያት፡
እምንነትካውን ክሳዕ ደበናታት ይበጽሕ።
6ጽድቅኻ ኸም ኣኽራን ኣምላኽ እዩ፡
ፍርድታትካ ገፊሕ መዓሙቝ እዩ።
ጐይታየ፡ ንሰብን እንስሳን ትባልሆም ኢኻ።
7ዎ ኣምላኽ፡ ሳህልኻ ኽንደይ ክቡር እዩ፡
ደቂ ሰብ ከኣ ኣብ ትሕቲ ጽላል ኣኽናፍካ ይጽግዑ።
8ብስብሒ ቤትካ ይጸግቡ፡
ካብ ወሓዚ ባህታኻውን ተስትዮም።
9ናይ ህይወት ፈልፋሊ ኣባኻ እዩ እሞ፡
ብብርሃንካ ብርሃን ንርኢ ኣሎና።
10ሳህልኻ ነቶም ዝፈልጡኻ፡
ጽድቅኻውን ንቕኑዓት ልቢ ወስኽ።
11እግሪ ዕቡይ ኣይምጽኣኒ፡
ኢድ ረሲኣን ኣይትስጐገኒ።
12እንሆ፡ እቶም ገበርቲ እከይ ኣብኣ ወደቑ።
ተፈገሙ፡ ክትንስኡ ኸኣ ኣይክእሉን እዮም።
መበል 37 መዝሙር።
ናይ ዳዊት ።
1-2ከም ሳዕሪ ቐልጢፎም ክዕጸዱ፡
ከም ልምሉም ቈጽሊ ኸኣ ክጽምልዉ እዮም እሞ፡
በቶም ገበርቲ እከይ ኣይትዀሪ፡
በቶም ዓመጽቲውን ኣይትቕናእ።
3ብእግዚኣብሄር ተማዕቈብ፡
ሰናይ ድማ ግበር ኣብታ ሃገር ተቐመጥ፡
እምነት ከኣ ድለ።
4ብእግዚኣብሄርውን ተሓጐስ፡
ልብኻ ዝደልዮ ንሱ ኽህበካ እዩ።
5መገድኻ ንእግዚኣብሄር ኣማዕቍቦ፡
ኣብኡ ተወከል፡ ንሱውን ከስልጠልካ እዩ።
6ንሱ ንጽድቅኻ ኸም ብርሃን፡
ንፍርድኻውን ከም ቀትሪ ኸውጽኦ እዩ።
7ንእግዚኣብሄር ሃዲእካ ተጸበዮ፡
በቲ ብመገዱ ዝሰልጠሉ፡
በቲ ሕሱም ሃቐና ዝፍጽም ሰብ ኣይትዀሪ።
8-9እኩያት ክጸንቱ እዮም፡
ንእግዚኣብሄር ዝጽበይዎ ግና
ንምድሪ ኽወርስዋ እዮም እሞ፡
ኵራ ግደፍ ሓርቖትውን ሕደግ፡ ኣይተንጸርጽር፡
እዝስ ናብ እከይ ጥራይ እዩ ዘብጽሕ።
10ቅሩብ ጸኒሑ እቲ ረሲእ የሎን፡
ቦታኡ ኽትደልዮ ኢኻ፡ ኣይክህሉን ድማ እዩ።
11ትሑታት ግና ንምድሪ ኽወርስዋ እዮም፡
ብብዝሒ ሰላም ከኣ ደስ ክብሎም እዩ።
12ረሲእ ንጻድቕ ይፍሕሰሉ፡
ኣስናኑውን ይሕርቅመሉ።
13እግዚኣብሄር ዕለቱ ኸም እትመጽእ
ይርኢ እዩ እሞ ይስሕቆ።
14ረሲኣንሲ ንጥቑዕን ድኻን ከውድቕዎ፡
ነቶም ብቕኑዕ መገዲ ዝኸዱ ኸኣ ክሓርድዎም፡
ሰይፎም መሰቱ ቀስቶምውን ገተሩ።
15ሰይፎም ናብ ልቦም እዩ ዝኣቱ፡
ቀስቶምውን ክስበር እዩ።
16-17ቀላጽም ረሲኣን ክስበር እዩ፡
ንጻድቃን ግና እግዚኣብሄር ይድግፎም እዩ እሞ፡
ካብ ሃብቲ ብዙሓት ረሲኣንሲ
ሒደት ናይ ጻድቕ ይበልጽ።
18እግዚኣብሄር ንመዓልትታት ንጹሃት ይፈልጠን፡
ርስቶም ከኣ ንዘለኣለም ክነብር እዩ።
19ብኽፉእ ዘመን ኣይክሓፍሩን፡
ብመዓልትታት ጥሜትውን ክጸግቡ እዮም።
20ረሲአን ግና ክጠፍኡ እዮም፡
ጸላእቲ እግዚኣብሄር ድማ ከም ጌጽ ሸኻ እዮም፡
ክበኑ፡ እወ፡ ከም ትኪ ኽበኑ እዮም።
21-22እቶም ብሩኻቱ ንሃገር ክወርስዋ፡
እቶም ንሱ ዝረግሞም ግና ክጸንቱ እዮም እሞ፡
ረሲእ ይልቃሕ ኣይመልስንውን፡
ጻድቕ ግና ርሕሩሕ እዩ እሞ ይህብ።
23ስጕምቲ ሰብ ብእግዚኣብሄር ይጸንዕ፡
መገዱ ኸኣ ባህ የብሎ።
24እግዚኣብሄር ብኢዱ ይድግፎ እዩ እሞ፡
እንተ ተዓንቀፈ እኳ ፈጺሙ ኣይክወድቕን እዩ።
25ንእሽቶ ነበርኩ፡ ኣሪገ ኸኣ እኔኹ፡
ግናኸ ጻድቕ ተሓዲጉን፡
ዘርኡ እንጌራ ኽልምኑን ከቶ ኣይርኤኹን።
26ኵሉ መዓልቲ ርሕሩሕ እዩ እሞ የለቅሕ፡
ዘርኡውን ብሩኽ እዩ።
27-28እግዚኣብሄር ፍርዲ ይፈቱ፡
ንቕዱሳኑ ኸኣ ኣይሓድጎምን፡ ንዘለኣለም ይሕለዉ፡
ዘርኢ ረሲኣን ግና ይጸንት እዩ እሞ፡
ካብ እከይ ርሓቕ ሰናይ ከኣ ግበር፡
ንዘለኣለምውን ክትነብር ኢኻ።
29ጻድቃን ንሃገር ክወርስዋ፡
ኣብኣውን ንዘለኣለም ክነብሩ እዮም።
30ኣፍ ጻድቕ ጥበብ ይዛረብ፡
ልሳኑ ኸኣ ፍርዲ ይነግር።
31ሕጊ ኣምላኹ ኣብ ልቡ እዩ፡
ስጕምቱ ሰንከልከል ኣይክብልን እዩ።
32ረሲእ ንጻድቕ ይጸናተዎ ክቐትሎምውን ይደሊ።
33እግዚኣብሄር ኣብ ኢዱ ኣይክሓድጎን፡
ክፍረድ ከሎውን ኣይክዅንኖን እዩ።
34ንእግዚኣብሄር ተጸበዮ መገዱውን ሓሉ፡
ንሃገር ምእንቲ ኽትወርሳ ልዕል ከብለካ እዩ፡
ረሲኣን ክጸንቱ ኸለዉ ኽትርኢ ኢኻ።
35ንረሲእ፡ ከም ኣብ ቦታኣ ኣስፋሕፊሓ
ዝለምለመት ኦም፡ ብስልጣኑ ርኤኽዎ።
36ምልስ እንተ በልኩ ግና፡ ሰኣንክዎ፡
ደለኽዎ እሞ ኣይረኸብክዎን።
37ንፍጹም ሰብሲ ጠምቶ፡
እዚ ሰብ እዚ ዳሕራዩ ሰላም እዩ እሞ፡ ነዚ ቕኑዕ ርኣዮ።
38በደልቲ ግና ኵላቶም ክጠፍኡ እዮም፡
ረሲኣንውን ዳሕራዮም ክቑረጽ እዩ።
39ምድሓን ጻድቃን ግና ካብ እግዚኣብሄር እዩ፡
ንሱ ብዘመን ጸገማ መኸወሊኦም እዩ።
40እግዚኣብሄር ይረድኦምን የናግፎምን፡
ናብኡ ተጸጊዖም እዮም እሞ፡
ካብ ረሲኣን የናግፎምን የድሕኖምን እዩ።
መበል 38 መዝሙር።
መዝሙር ዳዊት፡ ንመዘከርታ።
1ዎ እግዚኣብሄር፡ ብዅራኻ ኣይትገስጸኒ፡
ብነድርኻ ኣይትቕጸዓኒ።
2ፍላጻታትካ ወጊአናኒ እየን እሞ፡ ኢድካ ኸቢዳትኒ ኣላ።
3-4በደለይ ንርእሰይ ተዓዛዚርዎ፡
ከም ከቢድ ጾር ኣዝዩ ይኸብደኒ ኣሎ እሞ፡
ብዅራኻ ንስጋይ ጥዕና የብሉን፡
ብሰሪ ሓጢኣተይ ከኣ ኣዕጽምተይ ድሕንነት ስኢኑ ኣሎ።
5ብሰሪ ዕሽነተይ፡
ኣቝሳለይ ይብድብድን ይመጕልን ኣሎ።
6ኣነ ጐበጥኩ እምብዛውን ሓጐብኩ፡
ምሉእ መዓልቲ ብሓዘን እነብር ኣሎኹ።
7ጐነይ ረስኒ መሊኡ እዩ እሞ፡
ስጋይሲ ጥዑይ የብሉን።
8ኣነ ሰንሰንኩ፡ እምብዛ ተቐጥቀጥኩ፡
ካብ ሓዘን ልበይ እተላዕለ እግዕር ኣሎኹ።
9ጐይታየ፡ ኵሉ ሃረርታይ ኣብ ቅድሜኻ እዩ፡
እህህታይ ኣይተሰወረካን።
10ልበይ ትርግ ትርግ ይብል፡
ሓይለይ ይጠልመኒ ኣሎ፡
ብርሃን ኣዒንተይ ጠፊኡኒ እዩ።
11ፈተውተይን ኣዕሩኸይን ካብ ስቓየይ ይርሕቁ፡
ኣዝማደይ ከኣ ኣብ ርሑቕ ደው ይብሉ ኣለዉ።
12ንነፍሰይ ዝደልዩ ኸኣ መጻወድያ የጻውዱለይ፡
ጕድኣተይ ዝደልዩ ድማ ክፉእ ነገር ይዛረቡ፡
ምሉእ መዓልቲውን ጥልመት ይሓስቡለይ ኣለዉ።
13ኣነ ግና ከም ጸማም ኰይነ ኣይሰምዕን፡
ኣፉ ኸም ዘይከፍት ዓባስ ኰንኩ።
14እወ፡ ከም ዘይሰምዕ፡
ብአፉውን ምላሽ ዘይብሉ ሰብአይ ኰንኩ።
15ዎ እግዚኣብሄር፡ ብኣኻ ተስፋ እገብር ኣሎኹ እሞ፡
ጐይታይ፡ ኣምላኸየ፡ ንስኻ ኽትመልስ ኢኻ።
16እግረይ እንተ ኣንደልሃጸ፡ ከይዕበዩለይ እሞ፡
ብኣይ ከይሕጐሱ፡ በልኩ።
17ኣነ ንምሕንካስ ቀሪበ እየ እሞ፡
ስቓየይ ኵሉ ግዜ ኣብ ቅድመይ እዩ።
18በደለይ እናዘዝ ኣሎኹ እሞ፡
ብሓጢኣተይ እጕሂ ኣሎኹ።
19ጸላእተይ ግና ህያዋንን ሓያላትን እዮም፡
ብዘይ ምኽንያት ዝጸልኡኒ ኸኣ ብዙሓት እዮም።
20ንሰናይ እስዕቦ ስለ ዘሎኹ ድማ፡
ኣብ ክንዲ ሰናይ እከይ እናፈደዩ ይቃወሙኒ ኣለዉ።
21ጐይታይ፡ ኣይትሕደገኒ፡
ኣምላኸይ፡ ካባይ ኣይትርሓቕ።
22ጐይታይ፡ ምድሓነይ፡ ንምርዳአይ ቀልጥፍ።
መበል 39 መዝሙር።
ንሊቀ መዘምራን፡ ንየዱቱን፡ ናይ ዳዊት መዝሙር።
1ብመልሓሰይ ከይስሕት፡ ንመገድታተይ ክጥንቀቐለን፡
ረሲእ ኣብ ቅድመይ ከሎ፡
ንአፈይ ብልጓም ክገትእ እየ፡ በልኩ።
2ስቕ ብምባለይ ዓባስ ኰንኩ፡
ካብ ጽቡቕ እኳ ስቕ በልኩ፡ ቃንዛይ ከኣ ገደደ።
3ልበይ ኣብ ውሽጠይ ረሰነ፡
ከስተንትን ከልኹ፡ ሓዊ ተቓጸለ፡
ብመልሓሰይ ከኣ ተዛረብኩ፡
4ዎ እግዚኣብሄር፡ ከመይ ዝበልኩ
ሓላፊ ምዃነይ ምእንቲ ኽፈልጥ፡
መወዳእታይን ልክዕ መዓልትታተይን
ክንደይ ምዃኑ ኣዘክረኒ።
5እንሆ፡ ንመዓልትታተይ ከም ምናሕ ስድሪ ገበርካየን፡
ዕድመይ ኣብ ቅድሜኻስ ከም ምናምን እዩ፡ ሴላ።
ብሓቂ ዅሉ ሰብ ጸኒዑ እንተ ቘመ እኳ፡
ከንቱ ጥራይ እዩ።
6ብሓቂ ሰብ ከም ጽላሎት ይመላለስ፡
እወ ንኸንቱ እዩ ዝህወኽ፡ ይድልብ፡
ንመን ምዃኑውን ኣይፈልጥን።
7ሕጂኸ እንታይ እጽበ ኣሎኹ፧
ጎይታየ፡ ተስፋይ ብኣኻ እዩ።
8ካብ ኩሉ ኣበሳይ ኣናግፈኒ፡
መላገጽ ዓያሱ አይትግበረኒ።
9ንስኻ ኢኻ እዚ ዝገበርካ እሞ፡
ስቕ እብል፡ ኣፈይ ኣይከፍትን።
10ብመውቃዕቲ ኢድካ እጠፍእ ኣሎኹ፡
ንመዓትካ ኻባይ ኣርሕቆ።
11ብበደሉ እናገሰጽካ ንሰብ እንተ ቐጻዕካዮ፡
ንኽብረቱ ኸም ብልዒ ጌርካ ተጥፍኦ፡
ብሓቂ ዅሉ ሰብ ከንቱ እዩ።
12ኣብ ቅድሜኻ ጋሻ፡
ከም ኵሎም ኣቦታተይ ስደተኛ እየ እሞ፡
ዎ ጐይታይ፡ ጸሎተይ ስማዕ፡
እዝንኻ ናብ ኣውያተይ ምለስ፡
ብንብዓተይ ስቕ ኣይትበል።
13ካብዚ ኸይከድኩ፡
ህልውናይ ከይጠፍአ ኽቐስንሲ፡ ሕደገኒ።
መበል 40 መዝሙር።
ንሊቀ መዘምራን፡ ናይ ዳዊት መዝሙር።
1ንእግዚኣብሄር ተዓጊሰ ተጸበኽዎ፡
ንሱውን ናባይ ደኒኑ ኣውያተይ ሰምዐ።
2ካብ ጕድጓድ ጥፍኣት ከኣ፡
ካብቲ ረግረግ ጸብሪ ኣውጽአኒ፡
ኣእጋረይ ኣብ ከውሒ ኣቑሙ፡
ንስጉምተይ ኣጽንዖ።
3ሓድሽ መዝሙር ምስጋና
ንኣምላኽና ኣብ ኣፈይ ኣንበረ።
ብዙሓት እዚ ርእዮም ክፈርሁ፡
ናብ እግዚኣብሄርውን ክውከሉ እዮም።
4እቲ ንእግዚኣብሄር እምንቶኡ ዝገብሮ፡
ናብቶም ዕቡያትን ናብ ሓሶት ዘግልሱን
ዘየብል ሰብ ብጹእ እዩ።
5ጐይታይ፡ ኣምላኸየ፡ ተኣምራትካን
ንኣና ዝሓሰብካዮ ሓሳባትካን ብዙሕ እዩ፡
ንኣኻ ዝመስል ከቶ የልቦን።
ክነግረሉን ክዛረበሉን እንተ ደለኹስ፡
ምቝጻሩ ዘይከኣል ብዙሕ እዩ።
6ንመስዋእትን መባእን ባህጉ የብልካን፡
ኣእዛነይ ከፈትካለይ፡
መስዋእቲ ምሕራርን መስዋእቲ ሓጢኣትን
ኣይትደልን ኢኻ።
7-8ሽዑ፡ እኔኹ መጻእኩ፡
ኣብቲ ጥቕሉል መጽሓፍ ስለይ ተጽሒፉ ኣሎ።
ኣምላኸየ፡ ፍቓድካ ንምግባር ባህጊ ኣሎኒ፡
ሕግኻውን ኣብ ውሽጢ ልበይ እዩ፡ በልኩ።
9ጽድቅኻ ኣብታ ዓባይ ማሕበር ኣበሰርኩ፡
እንሆ፡ ከናፍረይ ኣይዓጾኹን፡
ጐይታየ፡ ንስኻ ትፈልጥ ኣሎኻ።
10ንጽድቅኻ ኣብ ውሽጢ ልበይ ኣይሓባእክዎን፡
እሙን ምዃንካን ምድሓንካን ነገርኩ፡
ሳህልኻን ሓቅኻን ነታ ዓባይ ማሕበር ኣይሓባእኩን።
11ጐይታየ፡ ንስኻ ምሕረትካ ኣይትኽልኣኒ፡
ሳህልኻን ሓቅኻን ኣዘውቲረን ይሓልዋኒ።
12ቁጽሪ ዘይብሉ መከራ ኸቢቡኒ፡
ምርኣይ ክሳዕ ዝስእን፡ በደለይ ኣርኪቡኒ፡
ካብ ጸጕሪ ርእሰይ በዚሑ እዩ እሞ፡
ልበይ ጠሊሙኒ እኔኹ።
13ዎ እግዚኣብሄር፡ ንምንጋፈይ ስመር፡
ጐይታየ፡ ንምርደኣይ ቀልጥፍ።
14ንነፍሰይ ከጥፍእዋ ዝደልዩ ዅሎም
ሓቢሮም ይሕፈሩን ይነውሩን።
እቶም ብመከራይ ዝሕጐሱ
ንድሕሪት ይመለሱን ይሕፈሩን።
15እቶም፡ እሰይ እሰይ፡ ዝብሉኒ
ብሰሪ ነውሮም ይሰምብዱ።
16ንኣኻ ዝደልዩ ዅሎም ይተሓጐሱ፡
ብኣኻውን ባህ ይበሎም።
ምድሓንካ ዘፍቅሩ ዘበሉ፡
ከየብኰሩ፡ እግዚኣብሄር ዓብዪ እዩ፡ ይበሉ።
17ኣነስ ሽጉርን መስኪንን እየ፡
እግዚኣብሄር ግና ይሓልየለይ ኣሎ።
ረዳእየይን መናገፍየይን ንስኻ ኢኻ፡
ኣምላኸየ፡ ኣይትደንጒ።
መበል 41 መዝሙር።
ንሊቀ መዘምራን፡ ናይ ዳዊት መዝሙር።
1ንድኻ ዝሓልየሉ ብጹእ እዩ፡
እግዚኣብሄር ብመዓልቲ መከራ የናግፎ።
2እግዚኣብሄር ይሕልዎ ብህይወትውን የንብሮ።
ንሱ ኣብ ምድሪ ብጹእ ይኸውን።
ናብ ፍቓድ ጸላእቱ ኣይተሕልፎን ኢኻ።
3ኣብ መደቀሲ ድናሴኡ ኸሎ፡ እግዚኣብሄር ይድግፎ።
ንስኻ ብሕማሙ ንብዘላ ዓራቱ ተንጽፈሉ።
4ጐይታየ፡ በዲለካ እየ እሞ፡ ምሓረኒ
ንነፍሰይ ኣሕውያ፡ በልኩ።
5ጸላእተይ፡ መኣዝ ኰን ክመውት፧
መአዝሲ ስሙ ኽጠፍእ እዩ፧
ኢሎም ብኣይ ክፉእ ይዛረቡ ኣለዉ።
6ሓደ እንተ በጽሓኒ፡ ብልግሚ ይዛረብ፡
ኣብ ልቡ ኽፍኣት ይእክብ፡ ምስ ወጸ ይዛረቦ።
7-8ኵሎም ጸላእተይ ብኣይ ንሓድሕዶም የሕሸዅሽኹ፡
ግብሪ እከይ ጠቢቕዎ ኣሎ፡ በጥ ኢሉ እዩ እሞ፡
ከቶ ኣይክትንስእን እዩ፡
እናበሉ ብኣይ ክፉእ ይምህዙ ኣለዉ።
9እወ፡ እቲ ዝእመኖ፡
እንጌራይ ዝበልዐ ፈታውየይ እኳ ሸዀናኡ ኣልዓለለይ።
10ንስኻ ግና፡ ጐይታየ፡ ምሓረኒ፡
ክፈድዮም ከኣ ኣተንስአኒ።
11ጸላእተይ እንተ ዘይተዓወተለይ፡
በዚ ንስኻ ኸም ዝበሃግካኒ እፈልጥ ኣሎኹ።
12ንኣይሲ ብንጽህናይ ትድግፈኒ፡
ኣብ ቅድሚ ገጽካ ኸኣ ንዘለኣለም ተንብረኒ ኣሎኻ።
13እግዚኣብሄር፡ ኣምላኽ እስራኤል፡ ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ይባረኽ። ኣሜን፡ ኣሜን።