ሳልሰይቲ መልእኽቲ ዮሃንስ

    1ካብቲ ሽማግለ ናብቲ ፍቁር፡ ኣነ ብሓቂ ዘፍቅሮ ጋይዮስ።
    2ኣታ ፍቁር፡ ከምቲ ነፍስኻ ዝጠዓየት፡ ብዅሉ ደሓን ክትህሉን ክትጥዕን እምነየልካ ኣሎኹ። 3ንስኻ በታ ሓቂ ትመላለስ ከም ዘሎኻ፡ ኣሕዋት መጺኦም ስለ እታ ኣባኻ ዘላ ሓቂ ብምምስካሮም ብዙሕ ተሓጐስኩ። 4ኣነ እቶም ደቀይ ብሓቂ ኸም ዝመላለሱ ኻብ ምስማዕ ዝዓቢ ሓጐስ የብለይን።
    5ኣታ ፍቁረይ፡ እቲ ነቶም ኣሕዋትን ኣጋይስን እትገብሮ ዘሎኻ ዘበለ ተኣሚንካ ትገብሮ ኣሎኻ። 6እዚኣቶም ብናይ ፍቅርኻ ኣብ ቅድሚ ማሕበር መስኪሮም ኣለዉ። ንኣምላኽ ከም ዝበቅዕ ጌርካ ንመገዶም እንተ ኣፋኖኻዮም ድማ፡ ሰናይ ትገብር ኣሎኻ። 7ንሳቶም ካብቶም ኣህዛብ ሓንቲ እኳ ኸይወሰዱ ምእንቲ እቲ ስም እቲ እዮም ዝወጹ። 8እምብኣርስኸ፡ ነታ ሓቂ መዓይይታ ምእንቲ ኽንከውን፡ ንሕና ነዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ ኽንቅበሎም ይግብኣና እዩ።
    9ኣነ ናብታ ማሕበር ሓደ ነገር ጽሒፈ ኣሎኹ፡ እቲ ኣውራኦም ክኸውን ዝደሊ ድዮትሬፌስ ግና ኣይቅበለናን እዩ። 10ስለዚ፡ እንተ መጻእኩ፡ ኣነ ነቲ ንሱ ብእኩይ ዘረባ እናጸረፈና ዝገብሮ ዘሎ ግብሪ ኸዘክሮ እየ። በዚ ድማ ምእካል ኣብይዎስ፡ ባዕሉ ነቶም ኣሕዋት ኣይቕበሎምን፡ ነቶም ክቕበልዎም ዝደልዩ ኸኣ ይኽልክሎም ካብ ማሕበርውን የውጽኦም ኣሎ። 11ኣታ ፍቁረይ፡ ነቲ ሰናይ ደኣ እምበር፡ ነቲ እኩይሲ ኣይትቃጸጾ። እቲ ሰናይ ዝገብር ካብ ኣምላኽ እዩ፡ እቲ እኩይ ዝገብር ንኣምላኽ ኣይረኣዮን። 12ንድሜጥሮስ ኵላቶም ይምስክሩሉ ኣለዉ፡ እታ ሓቂ ባዕላ ድማ ትምስክረሉ ኣላ። ንሕናውን ንምስክረሉ ኣሎና፡ ምስክርና ሓቂ ምዃና ድማ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ። 
    13-14ቀልጢፈ ኽርእየካ ተስፋ እገብር ኣሎኹ፡ ሽዑ ኣፍ ንኣፍ ክንዛራረብ ኢና እምበር፡ ብዙሕ ዝጽሕፈልካ ነይሩኒ፡ ግናኸ ብቐለምን ብርዕን ክጽሕፈልካ ኣይፈቶኹን። 15ሰላም ምሳኻ ይኹን። እቶም ፍቁራትና ሰላም ይብሉኻ ኣለዉ። ነቶም ፍቁራትና በብስሞም ሰላም በሎም።

Leave a Reply

መጽሓፍ ቅዱስ ትግርኛ
ብሉይን ሓድሽን ኪዳን
ብሉይ ኪዳን
ሓድሽ ኪዳን
መጽሓፍ ቅዱስ ትግርኛ
ብሉይን ሓድሽን ኪዳን

ብሉይ ኪዳን

ሓድሽ ኪዳን