1ይ መጽሓፍ ሳሙኤል

1  2  3  4  5  6  7  8  9
10  11  12 13  14  15
16  17  18  19  20  21
22  23  24  25  26
27  28  29  30
31

        1ይ ሳሙኤል ምዕራፍ 1

   1ኣብ ራማታይምጾፊም፡ ካብ ከረን ኤፍሬም፡ ኤልቃና ዝስሙ ኤፍራታዊ ሰብኣይ፡ ወዲ የሩሓም፡ ወዲ ኤሊሁ፡ ወዲ ቶሑ፡ ወዲ ጹፍ፡ ነበረ። 2ንሱ ኽልተ ኣንስቲ ነበራኦ፡ ስም እታ ሓንቲ ሃና፡ ስም እታ ኻልኣይቲ ኸኣ ጵኒና ነበረ። ጵኒና ድማ ውሉድ ነበርዋ፡ ሃና ግና ውሉድ ኣይነበርዋን። 3እቲ ሰብኣይ እቲ ኸኣ ኣብ ሺሎ ኽሰግድን ንእግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ክስውእን ኢሉ በብዓመት ካብ ከተማኡ ይድይብ ነበረ። ኣብኣ ኸኣ ክልቲኦም ደቂ ኤሊ፡ ሆፍንን ፊንሃስን፡ ካህናት እግዚኣብሄር ነበሩ። 4እታ ኤልቃና ዝስውኣላ መዓልቲ ምስ መጸት፡ ንሱ ንጵኒና ሰበይቱን ንዅሎም ኣወዳታን ኣዋልዳን ገግዲኦም ሃቦም። 5ንሃና ግና፡ እግዚኣብሄር ማሕጸና ዓጽዩ ኽነሱስ፡ ይፈትዋ ነበረ እሞ፡ ዕጽፊ ግደ ገይሩ ሃባ። 6እግዚኣብሄር ማሕጸና ስለ ዝዓጸወ ግና፡ እታ መጻርርታ ምእንቲ ኸተዀርያ ኢላ መመሊሳ ተባጭወላ ነበረት። 7ንሱ ዓመት ንዓመት ከምኡ ምስ ዝገብር፡ በታ ናብ ቤት እግዚኣብሄር እትድይበላ ግዜ፡ ጵኒና ኸምኡ ተባጭወላ ነበረት። ንሳ ኸኣ በኸየት፡ ኣይበልዐትን ድማ። 8ሽዑ ኤልቃና ሰብኣያ፡ ሃና፡ እንታይ ኴንክ ኢኺ እትበኽዪ፡ እንታይከ ኼንክ ዘይትበልዒ፡ እንታይ ኴንክስ ልብኺ ጕህዩ ኣሎ፧ ካብ ዓሰርተ ውሉድ ኣነዶ ኣይሕሸክን፧ በላ።
9ኣብ ሺሎ ምስ በልዑን ምስ ሰተዩን ድማ፡ ሃና ተንስአት። ካህን ኤሊ ኸኣ ኣብ ኣፍ ደገ መቕደስ እግዚኣብሄር ኣብ መንበር ኮፍ ኢሉ ነበረ፡ 10ንሳ ድማ ብነፍሳ ተመሪራ እናበኸየት ንእግዚኣብሄር ትልምን ነበረት፡ 11ዎ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ ውርደት ባርያኻ ኣጸቢቕካ ርኢኻ እንተ ዘከርካኒ፡ ንባርያኻውን እንተ ዘይረሳዕካኒ፡ ንባርያኻ ተባዕታይ ውሉድ እንተ ደኣሃብካኒ፡ ኣነ ድማ ኵሉ ዘበን ህይወቱ ንእግዚብሄር እውፍዮ፡ ናብ ርእሱ ኸኣ መላጸ ኣየሕልፎን፡ ኢላ መብጽዓ ተማባጽዐት። 12ኰነ ኸኣ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ጸሎታ ምስ ኣንውሐት፡ ኤሊ ኣፋ ይጥምት ነበረ። 13ሃናስ፡ ንሳ ብልባ እናተዛረበት፡ ከናፍራ ጥራይ ይወሳወስ ነበረ፡ ድምጻ ግና ኣይተሰምዐን፡ ስለዚ ኤሊ ስኽርቲ ግዲ እያ ኢሉ ሓሰበ። 14ኤሊ ኸኣ፡ ክሳዕ መኣዝ ኢኺ እትሰኽሪ፡ ወይንኺ ኻባኺ ኣውጽእዮ፡ በላ። 15ንሳ ግና፡ ጐይታይ፡ ኣይፋለይን፡ ኣነስ መንፈሰይ ጓሂ ዝመልኣ ሰበይቲ ደኣ እየ፡ ወይንን ዘስክር መስተንሲ ኣይሰቴኹን፡ ነፍሰይ ደኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣፍሰስኩ። 16እቲ ኽሳዕ ሕጂ ዘዛረበንስ፡ ብዝሒ ጓህን ሓዘንን እዩ እሞ፡ ንኣይ ንባርያኻ ኸም ጓል ብልያል ኣይትርኣየኒ፡ ኢላ መለሰትሉ። 17ሽዑ ኤሊ፡ ብሰላም ክዲ፡ ኣምላኽ እስራኤል ዝለመንክዮ ልማኖኺ ይሃብኪ፡ ኢሉ መለሰ። 18ንሳ ኸኣ፡ ባርያኻስ ኣብ ቅድሜኻኸ ሞገስ እርከብ፡ በለት። እታ ሰበይቲ ድማ መገዳ ኸደት፡ በልዐትውን፡ ድሕርዚ ኸኣ ገጻ ጕህይቲ መሲላ ኣይተራእየትን።
19ንጽብሒቱ ኣንጊሆም ተንሲኦም ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሰገዱ፡ ተመሊሶም ከኣ ናብ ቤቶም ኣብ ራማ ኣተዉ። ኤልቃና ድማ ንሰበይቱ ሃና ፈለጣ፡ እግዚኣብሄርውን ዘከራ። 20ኰነ ኸኣ፡ መዓልትታት ምስ ሓለፋ፡ ሃና ጠነሰት ወዲ ድማ ወለደት። ንሳ ኸኣ፡ ካብ እግዚኣብሄር ለሚነዮ እየ እሞ፡ ኢላ ስሙ ሳሙኤል ኣውጽኣትሉ።
21እቲ ሰብኣይ ኤልቃና ድማ ምስ ብዘላ ቤቱ ናይ ዓመት መስዋእቲ ሕሩድን መብጽዓኡን ንእግዚኣብሄር ክስውእ ደየበ። 22ሃና ግና ንሰብኣያ፡ ኣነስ፡ እዚ ሕጻን ጡብ ክሳዕ ዝሓድግ፡ ኣይድይብን እየ፡ ሽዑ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክርአ፡ ከብጽሖ እየ፡ ንሓዋሩ ኸኣ ኣብኡ ኽነብር እዩ፡ በለቶ። 23ኤልቃና ሰብኣያ ድማ፡ ጽቡቕ መሲሉ እተራእየክ ግበሪ፡ ጡብ ክሳዕ እተሕድግዮ ጽንሒ፡ ሓንትስ፡ እግዚኣብሄር ደኣ ዘረባኡ ይፈጽሞ፡ በላ። እታ ሰበይቲ ኸኣ ተረፈት፡ ነቲ ወዳ ጡብ ክሳዕ እተሕድጎ ድማ ተጥብዎ ነበረት። 24ምስ ኣሕደገቶ ኸኣ፡ ሰለስተ ዝራብዕን ሓደ ኤፋ ሓርጭን ሓደ ሓርቢ ወይንን ተማሊኣ፡ ወዳ ሒዛ ደየበት፡ ኣብ ሺሎ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ድማ ኣእተወቶ። እቲ ቖልዓ ኸኣ ገና ንእሽቶ ነበረ። 25ነቲ ዝራብዕ ሓሪዶም ድማ ነቲ ቘልዓ ናብ ኤሊ ኣምጽእዎ። 26ንሳ ኸኣ፡ ጐይታይ፡ ስምዓኒ፡ ነፍስኻ ህያው ትኹን ጐይታይ፡ እታ ኣብ ጥቓኻ ደው ኢላ ንእግዚኣብሄር እትልምን ዝነበረት ሰበይቲ ኣነ እየ። 27ብዛዕባዚ ቘልዓዚ እየ ዝለመንኩ፡ እግዚኣብሄር ከኣ እቲ ዝለመንክዎ ልማኖይ ሂቡኒ። 28ስለዚ ኣነ ድማ ንእግዚኣብሄር እህቦ ኣሎኹ፡ ምሉእ ዕድሜኡ ንእግዚኣብሄር ተዋሂቡ እዩ፡ በለት። ካብኡ ኸኣ ንእግዚኣብሄር ሰገዱ።

      1ይ ሳሙኤል  ምዕራፍ 2            

   1ሃና ድማ ከምዚ ኢላ ጸለየት፡

ልበይ ብእግዚኣብሄር ይሕጐስ ኣሎ፡

ቀርነይ ብእግዚኣብሄር ክብ ይብል

ብምድሓንካ ተሓጊሰ እየ እሞ፡

ኣፈይ ናብ ጸላእተይ ሃህ ኢሉ ኣሎ

2ብጀካኻ ኻልእ የልቦን እሞ፡

ከም እግዚኣብሄር ዝበለ ቅዱስ የልቦን፡

ከም ኣምላኽና ዝበለ ኸውሒ ኸኣ የልቦን፡

3እግዚኣብሄር ኵሉ ዝፈልጥ ኣምላኽ እዩ፡

ግብርታት ከኣ ኣብኡ ምዙን እዩ እሞ

እምብዛ ዘረባ ትዕቢት ኣይተብዝሑ፡

ቃል ድፍረትውን ካብ ኣፍኩም ኣይውጻእ፡

4ቀስቲ እቶም ሓያላት ተሰብረ፡

እቶም ሰንከልከል ዝብሉ ዝነበሩ ኸኣ ሓይሊ ተዓጥቁ፡

5እቶም ጽጉባት ዝነበሩ ምእንቲ እንጌራ ተገዝኡ፡

እቶም ጥሙያት ድማ ደጊም ኣይጠምዩን።

እወ፡ እታ መኻን ሾብዓተ ወለደት፡

እታ ወላድ ግና ደኸመት።

6እግዚኣብሄር ይቐትል፡ የሕዊ ኸኣ፡

ናብ ሲኦል የውርድ፡ የውጽእ ድማ።

7እግዚኣብሄር የድኪ፡ የሃብትም ከኣ፡

ትሕት የብል፡ ክብ ድማ የብል።

8ኣዕኑድ ምድሪ ናይ እግዚኣብሄር እዩ፡

ንዓለም ከኣ ኣብ ልዕሊኡ ኣንቢርዋ እዩ እሞ፡

ነቲ ነዳይ ካብ ሓመድ ኣተንሲኡ፡

ነቲ ድኻውን ካብ ጐዱፍ ኣልዒሉ፡

ምስ መኳንንቲ የቐምጦም፡

ዝፋን ክብሪውን የውርሶም።

9ንሱ ነእጋር ቅዱሳኑ ይሕልወን፡

ሰብ ብሓይሉ ኣይስዕርን እዩ እሞ፡

እቶም ረሲኣንሲ ኣብ ጸልማት ክጠፍኡ እዮም።

10እቶም ንእግዚኣብሄር ዝጻረሩ ስብርብር ይብሉ፡

ኣብ ሰማይ ኰይኑ ኣብ ልዕሊኦም የንጐድጕድ፡ እግዚኣብሄር ንወሰናት ምድሪ ይፈርድ፡

ንንጉሱ ድማ ሓይሊ ይህቦ፡

ንቐርኒ መሲሑ ኸኣ ልዕል የብሎ።
11ኤልቃና ድማ ናብ ቤቱ ንራማ ኸደ። እቲ ቘልዓ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ኻህን ኤሊ ዀይኑ ንእግዚኣብሄር የገልግል ነበረ።
12ደቂ ኤሊ ግና ደቂ ብልያል ነበሩ፡ ንእግዚኣብሄር ኣይፈለጥዎን። 13እቶም ካህናት ኣብቲ ህዝቢ እዚ ልማድ እዚ ነበሮም፡ ዝዀነ ሰብ መስዋእቲ ሕሩድ ምስ ዝስውእ፡ ገና እቲ ስጋ ኽበስል ከሎ፡ ጊልያ እቲ ኻህን ሰለስተ ዘጻብዑ ሻኳ ኣብ ኢዱ ሒዙ ይመጽእ እሞ፡ 14ናብ ቁራዕ ወይ ናብ መቑሎ ወይ ናብ ድስቲ ወይ ናብ ጻሕሊ ይወግእ፡ እቲ ሻኳ ዘልዓሎ ዘበለ፡ እቲ ኻህን ንርእሱ ይወስዶ ነበረ። ነቶም ናብ ሺሎ ዝመጹ ዅሎም እስራኤላውያን ከምኡ ይገብርዎም ነበሩ። 15ነቲ ስብሒ ገና ኸየሕረርዎ ኸለዉውን፡ ጊልያ እቲ ኻህን ናብቲ ሰዋኢ ሰብ መጺኡ፡ እቲ ኻህን ብርንዶ ደኣ እምበር፡ ዝበሰለ ስጋ ኻባኻ ኣይወስድን እዩ እሞ፡ ዝጥበስ ስጋ ሃበኒ፡ ይብሎ ነበረ። 16ሽዑ እቲ ሰብኣይ፡ ቅድም እቲ ስብሒ ፍጹም ይሕረር፡ ደሓር ነፍስኻ ዝደለየቶ ውሰድ፡ እንተ በሎ፡ ንሱ ኸኣ፡ ኣይፋል ሕጂ ደኣ ሃበኒ፡ እንተ ዘይኰነስ፡ ብሓይሊ ኽወስድ እየ፡ ይብሎ ነበረ። 17እቶም ሰባት በዚ ነቲ መስዋእቲ እግዚኣብሄር ይንዕቅዎ ነበሩ እሞ፡ ሓጢኣት እቶም መንእሰይ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣዝዩ ዓብዪ ነበረ።
18ግናኸ ሳሙኤል ገና ቘልዓ ኽነሱ፡ ናይ ልሕጺ እንጣጢዕ ኤፎድ ተዓጢቑ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የገልግል ነበረ። 19ኣዲኡ ድማ ንእሽቶ ቐምሽ ላዕሊ ገበረትሉ፡ እቲ ናይ ዓዓመት መስዋእቲ ሕሩድ ክትስውእ ምስ ሰብኣያ ኽትድይብ ከላ፡ በብዓመት ተምጽኣሉ ነበረት። 20ኤሊ ድማ ንኤልቃናን ንሰበይቱን፡ ኣብ ክንዲ እቲ ንእግዚኣብሄር እተወፈየ ውፉይ፡ እግዚኣብሄር ካብዛ ሰበይቲ እዚኣ ዘርኢ ይሃብካ፡ ኢሉ መረቖም። ናብ ቦታኦም ከኣ ኸዱ። 21እግዚኣብሄር ድማ ንሃና በጽሓ፡ ጠነሰት ድማ፡ ሰለስተ ወድን ክልተ ጓልን ከኣ ወለደት። ሳሙኤል፡ እቲ ቘልዓ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዓበየ።
22ኤሊ ኸኣ ኣዝዩ ኣረገ፡ እቲ እቶም ደቁ ኣብ ብዘለዉ እስራኤል ዝገበርዎ ዅሉን ነተን ኣብ ደገ ድንኳን ምርኻብ ዘገልግላ ኣንስቲ ድማ ከም ዝድቅስወንን ሰምዐ። 23ንኣታቶም ከኣ፡ እዚ ኻብ ብዘሎ ህዝቢ ዝሰምዖ ዘሎኹ ኽፉእ ግብርኹምሲ ስለምንታይ ኢኹም ከምዚ ዝበለ ነገር ትገብርዎ ዘሎኹም፧ 24ኣይፋልኩም ደቀየ፡ ንህዝቢ እግዚኣብሄር ገሃሲ ትገብርዎ ኣሎኹም እሞ፡ እዚ ኣነ ዝሰምዖ ዘሎኹ ወረስ ጽቡቕ ኣይኰነን። 25ሰብ ንሰብ እንተ በደሎስ፡ ኣምላኽ ይፈርዶ፡ ሰብ ንእግዚኣብሄር እንተ በደሎ ግና መን የማልዶ፧ በሎም። እግዚኣብሄር ክቐትሎም ስለ ዝደለየ ግና፡ ዘረባ ኣቦኦም ኣይሰምዑን። 26ሳሙኤል እቲ ቘልዓ ኸኣ እናዓበየ ኸደ፡ ኣብ እግዚኣብሄርን ኣብ ሰብን ድማ ፍትዊ ነበረ።
27ሓደ ናይ ኣምላኽ ሰብ ናብ ኤሊ መጺኡ በሎ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እቲ ኣብ ግብጺ ኣብ ቤት ፈርኦን ከለዉ፡ ንቤት ኣቦኻ ብርግጽዶ ኣይተገለጽኩላን እየ፧ 28ካህነይ ኰይኑ ኣብ መሰውእየይ ደዪቡ ዕጣን ክዓጥን፡ ኣብ ቅድመይውን ኤፎድ ክጸውር ኢለ ኻብ ኵሎም ነገድ እስራኤልዶ ንኣይ ሓርየዮ ኣይኰንኩን፧ ኵሉ ናይ ደቂ እስራኤል መስዋእቲ ሓዊኸ ንቤት ኣቦኻዶ ሂበዮ ኣይኰንኩን፧ 29ነቲ ኣብ ማሕደረይ ክቕረብ ዝኣዘዝኩ መስዋእቲ ሕሩድን መስዋእቲ ብልዕን ደኣ ስለምንታይ ኢኹም እትረግጽዎ ዘሎኹም፧ ካብ ኵሉ እቲ መስዋእቲ ህዝበይ እስራኤል በብሉጹ በሊዕኩም ምእንቲ ኽትሰብሑስ፡ ከመይ ኢልካኸ ኻብ ንኣይ ንደቅኻ ኣኽበርካ፧ 30ስለዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኣነስ ንቤትካን ንቤት ኣቦኻን ንዘለኣለም ኣብ ቅድመይ ክመላለሱ ብርግጽ ኢለዮም ነበርኩ፡ ሕጂ ግና፡ ኣነስ ነቶም ዘኽበሩኒ ኣኽብሮም፡ እቶም ዝንዕቁኒ ኸኣ ክሓስሩ እዮም እሞ፡ እዝስ ካባይ ይርሓቕ፡ ይብል እግዚኣብሄር። 31እንሆ፡ ኣብ ቤትካ ኣረጊት ምእንቲ ኸይርከብ፡ ቅልጽምካን ቅልጽም ቤት ኣቦኻን ዝሰብረለን መዓልታት ክመጻ እየን። 32በቲ ኣምላኽ ኣብ እስራኤል ዝገበሮ ዅሉ ጽቡቕስ፡ ኣብ ማሕደረይ ሽጋር ክትርኢ ኢኻ፡ ኣብ ቤትካ ድማ ንሓዋሩ ኣረጊት ኣይርከብን። 33እቲ ኣነ ኻብ መሰውእየይ ዘይቈርጾ ሰብካ ኣዒንትኻ ንምሕቃቕ ነፍስኻውን ንምምህማን ክኸውን እዩ። ኣብ ቤትካ እተወልደ ዘበለ ኸኣ ብጕብዝናኡ ኽመውት እዩ። 34እቲ ኣብ ክልቲኦም ደቅኻ ሆፍንን ፊንሃስን ዝመጽእ፡ ክልቲኦም ብሓንቲ መዓልቲ ኽሞቱ እዮም፡ እዚ ምልክት ክዀነካ እዩ። 35ኣነ ኸኣ ከም ልበይን ከም ነፍሰይን ዝገብር እሙን ካህን ከተንስእ እየ፡ ንእኡ ድልድልቲ ቤት ክሰርሓሉ እየ፡ ንሱውን ንሓዋሩ ኣብ ቅድሚ መሲሄይ ክመላለስ እዩ። 36ክኸውን ከኣ እዩ፡ ነፍሲ ወከፍ ካብ ቤትካ ዝተረፈ፡ ምእንቲ ሓንቲ ገንዘብ ብሩርን ሓንቲ እዛም እንጌራን ኣብ ቅድሚኡ ኽሰግድ እዩ። ቁራስ እንጌራ ምእንቲ ኽበልዕሲ፡ ኣብ ሓደ ኣገልግሎት ክህነት ኰታ ግበረኒ፡ ድማ ኽብሎ እዩ።

         1ይ ሳሙኤል  ምዕራፍ 3            

   1ሳሙኤል እቲ ቘሎዓ ድማ ኣብ ቅድሚ ኤሊ ንእግዚኣብሄር የገልግል ነበረ። በታ ግዜ እቲኣ ኸኣ ቃል እግዚኣብሄር ውሒዱ ነበረ፡ ራእይውን ብዙሕ ኣይነበረን። 2ኰነ ኸኣ፡ በታ ግዜ እቲኣ ኤሊ ኣብ ስፍራኡ ደቂሱ ኸሎ፡ ምርኣይ ክሳዕ ዝስእን ኣዒንቱ ሓሚቐን ነበራ፡ 3መብራህቲ ኣምላኽ ከኣ ገና ኸይጠፍአ ኸሎ፡ ሳሙኤልውን ኣብታ ታቦት ኣምላኽ ዘለዋ መቕደስ እግዚኣብሄር ተገምሲሱ ኸሎ፡ 4ሽዑ እግዚኣብሄር ንሳሙኤል ጸዎዖ፡ ንሱ ኸኣ፡ እኔኹ፡ በለ። 5ናብ ኤሊ ጐይዩ ድማ፡ ጸዊዕካኒ ኢኻ እሞ፡ እኔኹ፡ በለ። ንሱ ግና፡ ኣይጸዋዕኩን፡ ተመሊስካ ደኣ ደቅስ፡ በለ። ከይዱ ኸኣ ደቀሰ። 6እግዚኣብሄር ድማ ከም ብሓድሽ ንሳሙኤል ጸውዖ፡ ሳሙኤል ከኣ ተንሲኡ ናብ ኤሊ ኸይዱ፡ ጸዊዕካኒ ኢኻ እሞ እኔኹ፡ በለ። ንሱ ግና፡ ወደየ፡ ኣነስ ኣይጸዋዕኩን፡ ተመሊስካ ደቅስ፡ በለ። 7ሳሙኤል ከኣ ንእግዚኣብሄር ገና ኣይፈለጦን ነበረ፡ ቃል እግዚኣብሄርውን ኣይተገልጸሉን ነበረ። 8እግዚኣብሄር ድማ መሊሱ ንሳሙኤል ሳልሳይ ሳዕ ጸውዖ። ንሱ ኸኣ ተንሲኡ ናብ ኤሊ ኸይዱ፡ ጸዊዕካኒ ኢኻ እሞ እኔኹ፡ በለ። ሽዑ ኤሊ፡ ነቲ ቘልዓ እግዚኣብሄር ከም ዝጸውዖ ኣስተውዓለ። 9ኤሊ ኸኣ ንሳሙኤል በሎ፡ ኪድ ደኣ ደቅስ፡ ክኸውን ከኣ እዩ፡ እንተ ጸውዓካ፡ ባርያኻ ይሰምዕ ኣሎ እሞ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ተዛረብ፡ በል። ሳሙኤል ከኣ ኸይዱ ኣብታ ስፍራኡ ደቀሰ።
10እግዚኣብሄር ድማ መጸ፡ ደው ኢሉ ኸኣ ከምቲ ኻልእ ግዜታት፡ ሳሙኤል፡ ሳሙኤል፡ ኢሉ ጸውዖ። ሳሙኤል ከኣ፡ ባርያኻ ይሰምዕ ኣሎ እሞ፡ ተዛረብ፡ በለ። 11ሽዑ እግዚኣብሄር ንሳሙኤል በሎ፡ እንሆ፡ ኣነ ኣብ እስራኤል ንዝሰምዖ ዘበለ ኣብ ክልቲአን እዝኑ ዱድ ዘብል ነገር ክገብር እየ። 12በታ መዓልቲ እቲኣ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ኤሊ ብዛዕባ ቤቱ እተዛረብክዎ ዘበለ ካብ መጀመርታኡ ኽሳዕ መወዳእታኡ ኽገብሮ እየ። 13እቶም ደቁ ኣብ ርእሶም መርገም ከም ዘምጽኡ እናፈለጠስ፡ ብዘይ ምኽልካሎም ስለ ዝበደለ፡ ንቤቱ ንዘለኣለም ከም ዝፈርደላ፡ ኣፍሊጠዮ እየ እሞ፡ 14ስለዚ ኸኣ ንቤት ኤሊ፡ እቲ በደል ቤት ኤሊ ብመስዋእቲ ሕሩድ ወይ ብመስዋእቲ ብልዒ ንዘለኣለም ኣይዕረቕን እዩ፡ ኢለ ምሒለ እየ።
15ሳሙኤል ድማ ክሳዕ ዝወግሕ ደቂሱ መዓጹ ቤት እግዚኣብሄር ከፈተ። ሳሙኤል እቲ ራእዩ ንኤሊ ኸይነግሮ ፈርሀ። 16ኤሊ ግና ንሳሙኤል፡ ሳሙኤል ወደይ፡ ኢሉ ጸውዖ። ንሱ ኸኣ፡ እኔኹ፡ በለ። 17ኤሊ ድማ፡ እቲ እተዛረበካ ነገር እንታይ እዩ፧ በጃኻ፡ ካባይ ኣይትሰውሮ። ካብቲ እተዛረበካ ዅሉ ነገር ገለ ዘረባ እንተ ሓባእካለይ፡ ኣምላኽ ከምዚ ይግበርካ፡ ከምኡውን ይድገምካ፡ በለ። 18ሽዑ ሳሙኤል፡ ካብኡ ገለ ኸይሓብአ፡ ኵሉ እቲ ዘረባ ነገሮ። ኤሊ ድማ፡ ንሱ እግዚኣብሄር እዩ፡ ጽቡቕ ኰይኑ እተራእዮ ይግበር፡ በለ። 19ሳሙኤል ከኣ ዓበየ፡ እግዚኣብሄር ድማ ምስኡ ነበረ እሞ፡ ካብቲ ዅሉ ዘረባኡ ገለ እኳ ናብ ምድሪ ኣየውደቐን። 20ብዘሎ እስራኤል ካብ ዳን ክሳዕ ብኤር-ሸባዕ ድማ፡ ሳሙኤል እሙን ነብዪ እግዚኣብሄር ከም ዝዀነ ፈለጠ። 21እግዚኣብሄር ንሳሙኤል ብቓል እግዚኣብሄር ኣብ ሺሎ ይግለጸሉ ነበረ እሞ፡ እግዚኣብሄር መሊሱ ኣብ ሺሎ ተራእዮ።

         1ይ ሳሙኤል  ምዕራፍ 4            

   1ቃል ሳሙኤል ከኣ ናብ ብዘሎ እስራኤል መጸ።
   እስራኤል ድማ ምስ ፍልስጥኤማውያን ክዋጋእ ወጸ፡ ኣብ ኤብን-ዔዘር ከኣ ሰፈረ። ፍልስጥኤማውያን ድማ ኣብ ኣፌቅ ሰፈሩ። 2ፍልስጥኤማውያን ከኣ ምስ እስራኤል ክዋግኡ ተሰለፉ። እቲ ውግእ ምስ ገፍሐ ድማ፡ እስራኤል ኣብ ቅድሚ ፍልስጥኤማውያን ተሳዕሩ፡ ኣብቲ እተሰለፉሉ መሮር ኣስታት ኣርባዕተ ሽሕ ሰብ ቀተሉ። 3እቲ ህዝቢ ናብ ሰፈሩ ምስ ተመልሰ፡ እቶም ዓበይቲ እስራኤል፡ እግዚኣብሄር ስለምንታይ ኰን እዩ ሎሚ ኣብ ቅድሚ ፍልስጥኤማውያን ዝሰዓረና፡ እምበኣርሲ ንታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ንሱ ኣብ ማእከልና ዀይኑ ካብ ኢድ ጸላእትና ምእንቲ ኸድሕነና፡ ካብ ሺሎ ናባና ነምጽኣዮ፡ በሉ። 4እቲ ህዝቢ ናብ ሺሎ ልኢኹ ኸኣ፡ ካብኣ ነቲ ታቦት ኪዳን፡ ናይቲ ኣብ ልዕሊ ክሩቤል ዝነብር እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ ኣምጽእዎ። ክልቲኦም ደቂ ኤሊ፡ ሆፍንን ፊንሃስን ድማ ምስቲ ታቦት ኪዳን ኣምላኽ ኣብኡ ነበሩ።
   5ኰነ ኸኣ፡ እቲ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ናብ ሰፈር ምስ ኣተወ፡ ብዘለዉ እስራኤል ምድሪ ኽሳዕ እተንደቕድቕ ብዙሕ እልል በሉ። 6ፍልስጥኤማያን ከኣ ነቲ ድምጺ እልልታ ምስ ሰምዑ፡ እዚ ኣብ ሰፈር እብራውያን ዘሎ ድምጺ ብዙሕ እልልታስ እንታይ ኰን እዩ፧ በሉ። ታቦት እግዚኣብሄር ናብ ሰፈር ከም ዝኣተወ ኸኣ ፈለጡ። 7ፍልስጥኤማውያን ከኣ፡ ኣምላኽ ናብ ሰፈር መጺኡ እዩ፡ ኢሎም ብዙሕ ፈርሁ። በሉ ድማ፡ ቅድሚ ሕጂ ኸምዚ ዝበለ ነገር ኣይኰነን እሞ ወይለና። 8ንግብጻውያን ብዅሉ ዓይነት መዓት ኣብ በረኻ ዝወቕዕዎም እዞም ኣማልኽቲ እዚኣቶም እዮም እሞ፡ ወይለና፡ ካብ ኢድ እዞም ሓያላት ኣማልኽቲ እዚኣቶም መን ከድሕነና እዩ፧ 9ኣቱም ፍልስጥኤማውያን፡ ከምቲ ንሳቶም ባሮትኩም ዝነበሩ፡ ንስኻትኩም ከኣ ባሮት እብራውያን ከይትዀኑስ፡ ጽንዑ፡ ሰብኡት ኩኑ፡ እወ ሰብኡት ኩኑ፡ ተዋግኡ። 10ሽዑ ፍልስጥኤማውያን ተዋግኡ፡ እስራኤል ከኣ ተሳዕረ፡ ነፍሲ ወከፍ ድማ ነናብ ድንኳኑ ሃደመ። እቲ ውግእ ኸኣ ኣዝዩ በርትዐ እሞ፡ ካብ እስራኤል ሰላሳ ሽሕ ኣጋር ወደቑ። 11ታቦት ኣምላኽ ድማ ተማረኸ። ክልቲኦም ደቂ ኤሊ፡ ሆፎንን ፊንሃስን፡ ከም ሞቱ።
   12በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ሓደ ብንያማዊ ሰብኣይ ክዳውንቱ ቐዲዱ፡ ኣብ ርእሱውን ሓመድ ነስኒሱ ኻብቲ ውግእ ጐይዩ ናብ ሺሎ መጸ። 13ንሱ ኽመጽእ ከሎ ኸኣ፡ እንሆ፡ ኤሊ ብዛዕባ ታቦት ኣምላኽ ልቡ ተጨኒቑ ነበረ እሞ ኣብ ደረት መገዲ ኣብ መንበር ተቐሚጡ የማዕዱ ነበረ። እቲ ሰብኣይ ናብ ከተማ ኣትዩ ምስ ኣውረየ ኸኣ፡ ብዘላ እታ ኸተማ ዋይዋይ በለት። 14ኤሊ ድማ ድምጺ እቲ ዋይዋይታ ምስ ሰምዐ፡ እዚ ድምጺ ታዕታዕሲ እንታይ ኰን እዩ፧ በለ። እቲ ሰብኣይ ከኣ ቀልጢፉ ናብ ኤሊ መጺኡ ነገሮ። 15ኤሊ ግና ወዲ ተስዓን ሾሞንተን ዓመት ኰይኑ ነበረ እሞ፡ ኣዒንቱ ፈዚዘን፡ ክርኢ ኣይከኣለን። 16እቲ ሰብኣይ ንኤሊ፡ እቲ ኻብ ውግእ ዝመጸ ኣነ እየ፡ ኣነ ኻብቲ ውግእ ሃደምኩ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ወደየ፡ ነገሩ እሞ ከመይ ኰነ፡ በለ። 17እቲ መውረዪ ድማ፡ እስራኤል ኣብ ቅድሚ ፍልስጥኤማውያን ሃደሙ፡ ብዙሕ ሰብውን ተወድአ፡ ክልቲኦም ደቅኻ ሆፍንን ፊንሃስን ከኣ ሞይቶም፡ ታቦት ኣምላኽውን ተማሪኹ፡ ኢሉ መለሰ። 18ኰነ ድማ፡ ታቦት ኣምላኽ ምስ ዘከረሉ፡ ኤሊ ኣሪጉ ከቢዱ ስለ ዝነበረ፡ ኣብ ጐቦ እቲ ደገ ንድሕሪት ኣቢሉ ኻብ መንበሩ ወደቐ፡ ክሳዱ ተሰቢሩ ድማ ሞተ። ንሱ ንእስራኤል ኣርብዓ ዓመት ፈሪዱ እዩ።
   19ሰበይቲ ፊንሃስ ወዱ ድማ፡ ሕርሳ ዝቐረበ ጥንስቲ ነበረት እሞ፡ ታቦት ኣምላኽ ከም እተማረኸ፡ ሓሙኣን ሰብኣያን ከኣ ከም ዝሞቱ ወረ ምስ ሰምዐት፡ ሕርሲ ተታሕዘት እሞ፡ ተምበርክኻ ወለደት። 20ክትመውት ከላ ኸኣ፡ እተን ኣብ ዙርያኣ ደው ዝበላ ኣንስቲ፡ ወዲ ወሊድኪ ኢኺ እሞ፡ ኣይትፍርሂ፡ በላኣ። ንሳ ግና ገለ ኣይመለሰትን፡ ኣብ ልባውን ኣየእተወቶን። 21እዚ ማለታ፡ ታቦት ኣምላኽ ስለ እተማረኸ፡ ብምኽንያት ሓሙኣን ሰብኣያን ከኣ፡ ክብረት ካብ እስራኤል ረሓቐ፡ ኢላ ነቲ ሕጻን ኢካቦድ ሰመየቶ። 22ንሳ ድማ፡ ታቦት ኣምላኽ ተማሪኹ እዩ እሞ፡ ክብረት ካብ እስራኤል ረሓቐ፡ በለት።

 1ይ ሳሙኤል  ምዕራፍ 5            

   1ፍልስጥኤማውያን ድማ ንታቦት ኣምላኽ ወሲዶም ካብ ኤብን-ዔዘር ናብ ኣሽዶድ ኣምጽእዎ። 2ፍልስጥኤማውያን ከኣ ንታቦት ኣምላኽ ወሲዶም ናብ ቤት ዳጎን ኣእተውዎ፡ ኣብ ጥቓ ዳጎን ኣቐመጥዎ። 3ኣሽዶዳውያን ድማ ንጽብሒቱ ኣንጊሆም ምስ ተንስኡ፡ እንሆ፡ ዳጎን ኣብ ቅድሚ ታቦት እግዚኣብሄር ብግምባሩ ናብ ምድሪ ወዲቑ ነበረ። ንዳጎን ወሲዶም ከኣ ናብ ስፍራኡ መለስዎ። 4ንጽብሒቱ ወጋሕታ ኣንጊሆም ምስ ተንስኡ ድማ፡ እንሆ፡ ዳጎን ኣብ ቅድሚ ታቦት እግዚኣብሄር ብግምባሩ ናብ ምድሪ ወዲቑ ነበረ፡ ርእሲ ዳጎንን ክልቲኤን ግናዕ ኢዱን ከኣ ተቘሪጸን ኣብ ልዳት ወዲቐን ነበራ። ዳጎን እቲ ማእከሉ ጥራይ ተሪፍዎ ነበረ። 5ስለዚ ነታ ኣብ ኣሽዶድ ዘላ ልዳት ዳጎን ካህናት ዳጎን ኰኑ ወይ ናብ ቤት ዳጎን ዝኣትዉ ዅሎም ክሳዕ ሎሚ ኣይረግጽዋን እዮም።
6ኢድ እግዚኣብሄር ድማ ንኣሽዶዳውያን ከበደቶም፡ ንኣሽዶድን ንዶባታን ብሕበጥ ወቒዑ ኣጥፍኦም። 7እቶም ሰብ ኣሽዶድ ከኣ ከምኡ ኸም ዝዀነ ምስ ረኣዩ፡ ኢዱ ኣብ ልዕሌናን ኣብ ልዕሊ ዳጎን ኣምላኽናን ጸኒዓ እያ እሞ፡ ታቦት ኣምላኽ እስራኤል ምሳና ኣይንበር፡ በሉ። 8ልኡኻት ሰዲዶም ከኣ ንዅሎም ሹማምቲ ፍልስጥኤማውያን ኣክቦም፡ ንታቦት ኣምላኽ እስራኤል እንታይ ንግበሮ፡ በሉ። ንሳቶም ከኣ፡ ታቦት ኣምላኽ እስራኤል ናብ ጋት የልግስ በሉ፡ ስለዚ ንታቦት ኣምላኽ እስራኤል ናብኣ ኣግለስዎ። 9ኰነ ኸኣ፡ ምስ ኣግለስዎ፡ ኢድ እግዚኣብሄር ኣብታ ኸተማ ንኣዝዩ ዓብዪ ዕግርግር ኰነት፡ ንሰብ እታ ኸተማ፡ ካብ ንእሽቶ ኽሳዕ ዓብዪ፡ ወቕዖም፡ ሕበጥ ድማ ወጾም። 10ሽዑ ንታቦት ኣምላኽ ናብ ዔቅሮን ሰደድዎ። ኰነ ኸኣ፡ እቲ ታቦት ኣምላኽ ናብ ዔቅሮን ምስ መጸ፡ እቶም ዔቅሮናውያን፡ ንኣናን ንህዝብናን ምእንቲ ክቐትሉናስ፡ ታቦት ኣምላኽ እስራኤል ኣምጺኦምልና፡ ኢሎም ጨርሑ። 11ኢድ ኣምላኽ ከኣ ኣብኣ ኣዝዩ ስለ ዝኸበደ፡ ንብዘላ እታ ኸተማውን ፍርሃት ሞት ስለ ዝሓዛ፡ ልኢኾም ንዅሎም ሹማምቲ ፍልስጥኤማውያን ኣክቦም፡ እዚ ታቦት ኣምላኽ እስራኤል ንኣናን ንህዝብናን ምእንቲ ኸይቀትለናስ፡ ስደድዎ፡ ናብ ስፍራኡ ኸኣ ይመለስ፡ በሉ። 12እቶም ዘይሞቱ ሰባት ድማ ሕበጥ ወቕዖም፡ ብኽያት እታ ኸተማ ኸኣ ክሳዕ ሰማይ ደየበ።

         1ይ ሳሙኤል  ምዕራፍ 6            

   1እቲ ታቦት እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ምድሪ ፍልስጥኤማውያን ሾብዓተ ወርሒ ነበረ። 2ፍልስጥኤማውያን ከኣ ነቶም ካህናትን ጠንቈልትን ጸዊዖም፡ ንታቦት እግዚኣብሄር እንታይ ንግበሮ፧ ከመይ ጌርና ናብ ቦታኡ ኸም እንመልሶ ኣፍልጡና፡ በሉ። 3ንሳቶም ድማ፡ ንታቦት ኣምላኽ እስራኤል እንተ ሰደድኩምዎ፡ ጥራዩ ኣይትስደድዎ፡ መስዋእቲ በደል ደኣ ምለሱሉ፡ ሽዑ ኽትፍወሱ ኢኹም፡ ኢዱውን ካባኻትኩም ዘይምግላሳ ብምንታይ ምኽንያት ምዃኑ ኽፍለጠኩም እዩ፡ በሉ። 4ንሳቶም ከኣ፡ እቲ መስዋእቲ በደል እንመልሰሉኸ ኸመይ ዝበለ እዩ፡ በሉ። ንሳቶም ድማ በሉ፡ እቲ መዓት ንዅላትኩምን ንሹማምትኹምን ሓደ ዓይነት እዩ እሞ፡ ከም ቁጽሪ እቶም ሹማምቲ ፍልስጥኤማውያን ሓሙሽተ ሕበጥ ወርቅን ሓሙሽተ ኣንጭዋ ወርቅን እዩ። 5እምበርኣርሲ ምስሊ እቲ ሕበጥኩምን ምስሊ እተን ንሃገር ዘጥፍኣ ኣናጹኹምን ግበሩ፡ ንኣምላኽ እስራኤል ከኣ ክብሪ ሃብዎ፡ ምናልባሽ ኢዱ ኻብ ልዕሌኹምን ካብ ልዕሊ ኣማልኽትኹምን ካብ ልዕሊ ምድርኹምን ክትቀልል እያ። 6ከምቲ ግብጻውያንን ፈርኦንን ልቦም ዘትረሩ፡ ስለምንታይ ልብኹም ተትርሩ ኣሎኹም፧ ኣባታቶም ሓይሊ ምስ ገበረ ደይኰኑን ይኺዱ ዝሓደግዎም፡ ንሳቶም ድማ ዝኸዱ፧ 7ሕጂ ኸኣ ሓደ ሓድሽ ሰረገላ ሰሪሕኩም፡ ኣርዑት ዘይተሰቕለን፡ ዘጥብዋ ኽልተ ላም ውሰዱ እሞ፡ ነተን ኣሓ ኣብቲ ሰረገላ ቑረንወን፡ ነተን ኣባትየን ከኣ ካብ ድሕሪኤን ናብ ቤት ምለስወን። 8ነቲ ታቦት እግዚኣብሄር ወሲድኩም ኣብቲ ሰረገላ ግበርዎ፡ እቲ ንመስዋእቲ በደል እትመልሱሉ ኣቓሑ ወርቂ ኸኣ ኣብ ሳጹን ጌርኩም ኣብ ጎቦኡ ኣንብርዎ እሞ ይኺድ ስደድዎ። 9ርኣዩ ድማ፡ ብመገዲ ሃገሩ ኣቢሉ ናብ ቤት-ሸመሽ እንተ ደየበ፡ ሽዑ እዚ ብርቱዕ ክፉእ ነገር እዚ ዘምጽኣልና፡ ንሱ እዩ፡ እንተ ዘይኰነ ግና፡ ንሱስ ብኸምኡ ደኣ መጺኡና እምበር፡ እዚ መዓት እዚ ኢዱ ኸም ዘየውረደትልና ኽንፈልጥ ኢና፡ በሉ።
   10እቶም ሰባት ከኣ ከምኡ ገበሩ። ክልተ ዘጥብዋ ላም ወሲዶም ኣብቲ ሰረገላ ቘረንወን፡ ነተን ኣባትየን ድማ ኣብ ቤት ዓጸዉወን። 11ንታቦት እግዚኣብሄርን ነቲ ሳጹንን ምስቲ ኣናጹ ወርቅን ምስልታት ሕበጥን ኣብቲ ሰረገላ ኣንበርዎ። 12እተን ኣሓ ድማ፡ ንየማነ ጸጋም ከየግለሳ፡ እምባሕ እናበላ፡ ብጐደና ኣቕኒዐን መገዲ ቤት-ሸመሽ ትኽ ኢለን ከደ። እቶም ሹማምቲ ፍልስጥኤማውያን ከኣ ክሳዕ ዶብ ቤት-ሸመሽ ደድሕሪአን ከዱ። 13እቶም ሰብ ቤት-ሸመሽ ድማ ስርናይ ኣብቲ ለሰ ይዓጽዱ ነበሩ። ኣዒንቶም ቋሕ ኣቢሎም ነቲ ታቦት ረኣይዎ እሞ፡ ብምርኣዩ ተሓጐሱ። 14እቲ ሰረገላ ድማ ናብ ግራት እያሱ በዓል ቤት-ሸመሽ መጺኡ ኣብኣ ቘመ፡ ኣብኣ ድማ ዓብዪ እምኒ ነበረ። ዕጨይቲ እቲ ሰረገላ ፈሊጾም ከኣ እተን ኣሓ ንእግዚኣብሄር ዝሓርር መስዋእቲ ኣዕረጉሉ። 15ሌዋውያን ከኣ ነቲ ታቦት እግዚኣብሄርን ነቲ ምስኡ ዝነበረ፡ ኣቓሑ ወርቂ ዘለዎ ሳጹንን ኣውሪዶም ኣብቲ ዓብዪ እምኒ ኣንበርዎ። በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ እቶም ሰብ ቤት-ሸመሽ ንእግዚኣብሄር ዝሓርር መስዋእቲ ኣዕረጉሉ፡ መስዋእቲ ሕሩድ ከኣ ሰውኡሉ። 16እቶም ሓሙሽተ ሹማምቲ ፍልስጥኤማውያን ድማ ምስ ረኣይዎ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ናብ ዔቅሮን ተመልሱ።
   17እቲ ፍልስጥኤማውያን ንእግዚኣብሄር ንመስዋእቲ በደል ዝመለሱሉ ሕበጥ ወርቂ ኸኣ እዚ እዩ፡ ሓደ ንኣሽዶድ፡ ሓደ ንጋዛ፡ ሓደ ንኣስቀሎን፡ ሓደ ንጋት፡ ሓደ ንዔቅሮን። 18እተን ኣናጹ ወርቂ ድማ ከም ቁጽሪ ዅለን ናይቶም ሓሙሽተ ሹማምቲ ኸተማታት ፍልስጥኤማውያን እየን፡ ካብተን ዕሩዳት ከተማታት ጀሚረን ክሳዕ ኣቑሻት እታ ሃገር፡ ክሳዕ እቲ ታቦት እግዚኣብሄር እተቐመጦ ዓብዪ እምኒ፡ ንሱ ኸኣ ክሳዕ ሎሚ ኣብ ግራት እያሱ በዓል ቤት-ሸመሽ ኣሎ። 19ካብ ሰብ ቤት-ሸመሽ ድማ ናብ ውሽጢ እቲ ታቦት ስለ ዝጠመቱ ቐዘፎም እሞ፡ ካብቲ ህዝቢ ሰብዓ ሰብ ቀተለ። እግዚኣብሄር ነቲ ህዝቢ ብብርቱዕ መቕዘፍቲ ስለ ዝቐዘፎ ድማ እቶም ህዝቢ ሓዘኑ። 20እቶም ሰብ ቤት-ሸመሽ ከኣ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፡ እዚ ቅዱስ ኣምላኽ፡ መን ክቐውም ይኽእል፧ ካባናኸ ናብ መን ክድይብ እዩ፧ በሉ። 21ነቶም ኣብ ቂርያት-የዓሪም ዝነብሩ ኸኣ፡ ንታቦት እግዚኣብሄር ፍልስጥኤማውያን መሊሶምዎ፡ ወሪድኩም ናባኻትኩም ኣደይብዎ፡ ኢሉም ልኡኻት ሰደዱሎም።

 1ይ ሳሙኤል  ምዕራፍ 7            

   1እቶም ሰብ ቂርያት-የዓሪም ድማ መጺኦም ንታቦት እግዚኣብሄር ኣደዪቦም ናብታ ኣብ ኩርባ ዘላ ቤት ኣቢናዳብ ኣእተውዎ፡ ንኣልኣዛር ወዱ ኸኣ ታቦት እግዚኣብሄር ክሕሉ ቀደስዎ።
   2ኰነ ድማ፡ እቲ ታቦት ኣብ ቂርያት-የዓርም ካብ ዝቕመጥ ግዜኡ ነውሐ፡ ዕስራ ዓመት ኰነ። ብዘለዉ ቤት እስራኤል ናብ እግዚኣብሄር ኣቢሎም ይቑዝሙ ነበሩ። 3ሳሙኤል ከኣ ንብዘላ ቤት እስራኤል፡ ንስኻትኩም ብምሉእ ልብኹም ናብ እግዚኣብሄር ትምለሱ እንት ዄንኩም፡ ጓኖት ኣማልኽትን ኣስታሮትን ካብ ማእከልኩም ኣርሕቑ፡ ልብኹም ከኣ ናብ እግዚኣብሄር ኣቕንዑ፡ ንእኡ ጥራይውን ኣምልኹ፡ ሽዑ ኻብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ከድሕነኩም እዩ፡ ኢሉ ተዛረበ። 4ደቂ እስራኤል ከኣ ንበዓሊምን ንኣስታሮትን ኣርሒቖም ንእግዚኣብሄር ጥራይ ኣምለኹ።
5ሳሙኤል ድማ፡ ንዅሉ እስራኤል ኣብ ሚጽጳ ኣክቡ፡ ንእግዚኣብሄር ከኣ ምእንታኹም ክልምኖ እየ፡ በሎም። 6ሽዑ ኣብ ሚጽጳ ተኣከቡ፡ ማይ ቀዲሖም ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣፍሰስዎ፡ በታ መዓልቲ እቲኣውን ጾሙ፡ ኣብኡ ኸኣ፡ ንእግዚኣብሄር በዲልናዮ፡ በሉ። ሳሙኤል ድማ ንደቂ እስራኤል ኣብ ሚጽጳ ፈረዶም።
   7ፍልስጥኤማውያን ከኣ ደቂ እስራኤል ኣብ ሚጽጳ ኸም እተኣከቡ ምስ ሰምዑ፡ እቶም ሹማምቲ ፍልስጥኤማውያን ንእስራኤል ደየብዎም። ደቂ እስራኤል እዚ ምስ ሰምዑ ድማ፡ ንፍልስጥኤማውያን ፈርህዎም። 8ደቂ እስራኤል ከኣ ንሳሙኤል፡ ካብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ከድሕነናስ፡ ምእንታና ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ምምህላል ኣይትሕደግ፡ በልዎ። 9ሳሙኤል ድማ ሓደ ዝጠቡ ዕየት ወሲዱ፡ ምሉእ ዝሓርር መስዋእቲ ገይሩ ንእግዚኣብሄር ኣዕረገሉ። ሳሙኤል ከኣ ምእንቲ እስራኤል ናብ እግዚኣብሄር ተማህለለ፡ እግዚኣብሄር ድማ ምላሽ ሃቦ። 10ኰነ ድማ፡ ሳሙኤል እቲ ዝሓርር መስዋእቲ ኸዕርግ ከሎ፡ ፍልስጥኤማውያን ንእስራኤል ክዋግኡ ቐረቡ። እግዚኣብሄር ግና በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ልዕሊ ፍልስጥኤማውያን ብርቱዕ ነጐዳ ኣንጐድጒዱ ኣሸበሮም እሞ፡ ኣብ ቅድሚ እስራኤል ተሳዕሩ። 11እቶም ሰብ እስራኤል ድማ ካብ ሚጽጳ ወጺኦም ንፍልስጥኤማውያን ሰጐጕዎም፡ ክሳዕ ትሕቲ ቤት-ካር ከኣ ቀተልዎም። 12ሽዑ ሳሙኤል ሓደ እምኒ ወሲዱ ኣብ መንጎ ሚጽጳን ሼንን ኣንበሮ፡ እግዚኣብሄር ክሳዕ ኣብዚ ረድኣና፡ ኢሉ ድማ ስሙ ኤብን-ዔዘር ሰመዮ።
13ፍልስጥኤማውያን ተዋረዱ፡ መሊሶም ከኣ ናብ ዶብ እስራኤል ኣይመጹን። ብዅሉ ዘበን ሳሙኤል ድማ ኢድ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ፍልስጥኤማውያን ነበረት። 14እተን ፍልስጥኤማውያን ካብ እስራኤል ወሲዶምወን ዝነበሩ ኸተማታት ድማ፡ ካብ ዔቅሮን ክሳዕ ጋት፡ ናብ እስራኤል ተመልሳ፡ ንዶበን ከኣ እስራኤል ካብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ኣድሓነ። ኣብ መንጎ እስራኤልን ኣብ መንጎ ኣሞራውያንን ድማ ዕርቂ ነበረ።
15ሳሙኤል ድማ ምሉእ ዘበን ህይወቱ ንእስራኤል ፈረደ። 16ዓመት ንዓመት ከይዱ ኸኣ ናብ ቤት-ኤልን ጊልጋልን ሚጽጳን ይዘውር ነበረ፡ ኣብ ኵለን እዘን ቦታታት እዚኣተን ከኣ ንእስራኤል ይፈርድ ነበረ። 17ቤቱ ኣብ ራማ ነበረት እሞ፡ ናብኣ ይምለስ ነበረ፡ ኣብኣ ድማ ንእስራኤል ይፈርድ ነበረ። ኣብኣውን ንእግዚኣብሄር መሰውኢ ሰርሐ።

         1ይ ሳሙኤል  ምዕራፍ 8            

   1ኰነ ድማ፡ ሳሙኤል ምስ ኣረገ፡ ንደቁ ኣብ እስራኤል ፈረዲ ገበሮም፡ 2ስም እቲ በዅሪ ወዱ ዮኤል፡ ስም እቲ ኻልኣዩ ኸኣ ኣቢያ ነበረ፡ ኣብ ብኤር-ሸባዕ ፈረዲ ነበሩ። 3እቶም ደቁ ግና ብመገዱ ኣይከዱን፡ ናብ ስስዐ ደኣ ኣበሉ፡ መማለዲ ተቐቢሎም ድማ ፍርዲ የቕንኑ ነበሩ።
4ሽዑ ብዘለዉ ዓበይቲ እስራኤል ተኣክቦም ናብ ሳሙኤል ኣብ ራማ መጹ፡ 5እንሆ፡ ንስኻ ኣሪግካ፡ ደቅኻ ኸኣ ብመገድኻ ኣይከዱን። እምበኣርሲ፡ ሕጂ ኸም ኵሎም ህዝብታት ዝፈርደልና ንጉስ ኣንግሰልና፡ ድማ በልዎ። 6ዝፈርደልና ንጉስ ሃበና፡ ምስ በሉ ግና፡ እዚ ነገር እዚ ንሳሙኤል ኣጕሃዮ። ሳሙኤል ከኣ ናብ እግዚኣብሄር ጸለየ። 7እግዚኣብሄር ድማ ንሳሙኤል በሎ፡ ኣነ ኸይነግሶም፡ ንኣይ እዮም ዝነዓቑ እምበር፡ ንኣኻ ኣይኰኑን ዝነዓቑ እሞ፡ እዞም ህዝቢ ብዝበሉኻ ዅሉ ቓሎም ስማዕ። 8ከምቲ ኻብታ ኻብ ግብጺ ዘውጻእክዎም መዓልቲ ጀሚሮም ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ዝገበርዎ ግብሪ፡ ንኣይ ሓዲጎም ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኣምለኹ፡ ንኣኻ ድማ ከምኡ ይገብሩ ኣለዉ። 9ሕጂ ኸኣ ቃሎም ስማዕ፡ ግናኸ ኣጽኒዕካ ምዓዶም፡ ስርዓት እቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝነግስ ንጉስ ከኣ ኣፍልጦም።
10ሳሙኤል ድማ ነቶም ካብኡ ንጉስ ዝለመኑ ህዝቢ እቲ እግዚኣብሄር እተዛረቦ ዘበለ ነገሮም። 11ንሱ በሎም፡ ስርዓት እቲ ኣብ ልዕሌኹም ዝነግስ ንጉስ እዚ እዩ፡ ነቶም ኣወዳትኩም ወሲዱ ሰብ ሰረገላታቱን ፈረሰኛታቱን ይገብሮም፡ ቀቅድሚ ሰረገላኡ ድማ ክጐዩ እዮም። 12ሓላቑ ሽሕን ሓላቑ ሓምሳን፡ ማሕረሱ ዝሓርሱን ዓጺዱ ዝዓጽዱን ኣጽዋር ውግኡን ኣቕሓ ሰረገላኡን ድማ ዝሰርሑ ኽገብሮም እዩ። 13ነተን ኣዋልድኩም ከኣ ሽቱ ኸቃምማን ጸብሒ ኽሰርሓን ክስንክታን ክወስደን እዩ። 14እቲ ዘዝበለጸ ግርሁኹምን ኣታኽልቲ ወይንኹምን ኣታኽልቲ ዘይትኹምን ወሲዱ ድማ ንገላውኡ ኽህቦም እዩ። 15ዕሽር ዘራእትኹምን ወይንኹምን ወሲዱ ኸኣ ንስሉባቱን ንገላዉኡን ክህቦም እዩ። 16ገላዉኹምን ኣግራድኩምን ዘዝበለጹ ኣጕባዝኩምን ኣእዱግኩምን ወሲዱ ድማ ንዕዮኡ ኽገብሮም እዩ። 17ካብ ኣባጊዕኩም ከኣ ዕሽር ይወስድ፡ ባሮቱውን ክትኰኑ ኢኹም።
18በታ መዓልቲ እቲኣ ኻብ ቅድሚ እቲ ዝሓሬኹምዎ ንጉስኩም ክትምህለሉ ኢኹም፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ግና እግዚኣብሄር ኣይመልሰልኩምን እዩ።
19-20እቶም ህዝቢ ግና ንቓል ሳሙኤል ምስማዕ ኣብዮም፡ ኣይፋል፡ ንሕናስ ከምቶም ኵሎም ህዝብታት ክንከውን፡ ንጉስና ኽፈርደልናን ቀቅድሜና ወጺኡ ውግእና ኽዋግኣልናንሲ ንጉስ ደኣ ኣብ ልዕሌና ይኹን፡ በሉ። 21ሳሙኤል ድማ ኵሉ ዘረባ እቲ ህዝቢ ሰሚዑ ንእግዚኣብሄር ነገሮ። 22እግዚኣብሄር ከኣ ንሳሙኤል፡ ቃሎም ስማዕ እሞ ንጉስ ኣንግሰሎም፡ በሎ። ሳሙኤል ድማ ንሰብ እስራኤል፡ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ከተማኡ ይኺድ፡ በሎም።

        1ይ ሳሙኤል  ምዕራፍ 9            

   1ካብ ብንያም ድማ ቂስ ዝስሙ ወዲ ኣቢኤል፡ ወዲ ጾሮር፡ ወዲ በኮራት፡ ወዲ ኣፊያሕ፡ ወዲ ሓደ ብንያማዊ ሓያል ጅግና ሰብኣይ ነበረ። 2ንሱ ኸኣ ሳኦል ዝስሙ ምልምልን መንእሰይን ወዲ ነበሮ፡ ካብ ደቂ እስራኤል ካብኡ ዝጽብቕ ሰብ ኣይነበረን፡ ካብ ክሳዱ ንላዕሊ ኻብ ኵሉ ህዝቢ ጸብለል ዝበለ ነበረ። 3ንቂስ ኣቦ ሳኦል ኣእዱግ ጠፍአኦ። ቂስ ድማ ንሳኦል ወዱ፡ ካብዞም ግዙኣት ሓደ ምሳኻ ውሰድ፡ ተንሲእካ ድማ ኪድ እሞ፡ ነተን ኣእዱግ ድለየን፡ በሎ። 4ሽዑ ብኸረን ኤፍሬም ሓለፈ፡ ብምድሪ ሻሊሻ ኸኣ ሓለፈ፡ ግናኸ ኣይረኸብወንን። ብምድሪ ሻዓሊም ድማ ሓለፉ፡ ኣብኣውን ኣይነበራን፡ ብምድሪ ብንያማውያን ከኣ ሓለፉ፡ ግናኸ ኣይረኸብወንን። 5ናብ ምድሪ ጹፍ ምስ መጹ፡ ሳኦል ነቲ ምስኡ ዝነበረ ግዙኡ፡ ኣቦይ ብናይ ኣእዱግ ሓዲጉ ብኣና ይጭነቕ ከይህሉስ፡ ንዓናይ ንኺድ ንመለስ፡ በሎ። 6ንሱ ግና፡ እንሆ፡ ናይ ኣምላኽ ሰብ ኣብዛ ኸተማ እዚኣ ኣሎ፡ ንሱ ኽቡር ሰብኣይ፡ ዝበሎ ዅሉ ርግጽ ዝኸውን እዩ፡ ሕጂ ናብኡ ንኺድ፡ ንሱ ምናልባሽ እንኸደላ መገድና ይነግረና ይኸውን፡ በሎ። 7ሳኦል ድማ ነቲ ግዝኡ፡ እንሆ፡ እንተ ኸድናስ፡ ነቲ ሰብኣይ እሞ እንታይ ነምጽኣሉ፡ ኣብ ለቘታና እንጌራ ተወዲኡ፡ ነቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ እነምጽኣሉ ህያብ የብልናን፡ ወይስ እንታይ እሞ፡ ኣሎና በሎ። 8እቲ ግዙእ ከኣ ከም ብሓድሽ ንሳኦል፡ እንሆ፡ ርብዒ ሲቃል ብሩር ኣብ ኢደይ ኣሎኒ፡ እምበኣርሲ መገድና ምእንቲ ኽነግረናስ፡ ነቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ክህቦ እየ፡ ኢሉ መለሰሉ። 9እዚ ሎሚ ነብዪ ዝበሃል ዘሎ፡ ቀደም ረኣዪ ይበሃል ነበረ እሞ፡ ቀደም ኣብ እስራኤል ሓደ ሰብ ንኣምላኽ ክሓትት ምስ ዝኸይድ፡ ንዑ ናብ ረኣዪ ንኺድ፡ ይብል ነበረ። 10ሳኦል ድማ ነቲ ግዙኡ፡ ጽቡቕ ተዛረብካ፡ ንዓናይ ንኺድ፡ በሎ። ከምዚ ኢሎም፡ ናብታ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ዘለዋ ኸተማ ኸዱ።
11ንሳቶም በቲ ናብታ ኸተማ ዘደይብ ዓቐበት ክድይቡ ኸለዉ፡ ማይ ክወርዳ ዝወጻ ኣዋልድ ረኸቡ፡ እቲ ረኣዪ ኣብዚዶ ኣሎ፡ ኢሎም ሓተትወን። 12ንሳተን ከኣ ከምዚ ኢለን መለሳሎም፡ እንሆ፡ ኣብዚ ቕድሜኻ ኣሎ፡ እዚ ህዝቢ ሎሚ ኣብቲ በሪኽ ክስውእ እዩ፡ ስለዚ ንሱ ሎሚ ናብዛ ኸተማ መጺኡ ኣሎ እሞ፡ ሕጂ ቐልጥፍ። 13ናብ ከተማ ምስ ኣቶኹም፡ ገና ናብቲ በሪኽ ክበልዕ ከይደየበ፡ ብኡብኡ ኽትረኽብዎ ኢኹም። ነቲ መስዋእቲ ንሱ እዩ ዝባርኾ፡ ስለዚ እቶም ህዝቢ፡ ንሱ ኸይመጸ፡ ኣይበልዑን እዮም እሞ፡ ድሕርቲ እቶም ዕዱማት ይበልዑ። በዛ ግዜ እዚኣ ኽትረኽብዎ ኢኹም፡ ስለዚ ሕጂ ደይቡ። 14ናብታ ኸተማ ኸኣ ደየቡ። ናብታ ኸተማ ምስ ኣተዉ፡ እንሆ፡ ሳሙኤል ናብቲ በሪኽ ክድይብ ክቃባበሎም ወጸ።
15ሓንቲ መዓልቲ ቕድሚ ምምጻእ ሳኦል፡ እግዚኣብሄር ንሳሙኤል ከምዚ ኢሉ ገሊጽሉ ነበረ፡ 16ገዓሩ ናባይ ስለ ዝበጽሐ፡ ንህዝበይ ርእየዮ እየ እሞ፡ ጽባሕ ከምዛ ግዜ እዚኣ ሓደ ሰብኣይ ካብ ሃገር ብንያም ናባኻ ኽሰድድ እየ፡ ንእኡ ኣብ ህዝበይ እስራኤል ሓለቓ ክኸውን ቅብኣዮ፡ ንሱ ንህዝበይ ካብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ከድሕኖ እዩ። 17ሳሙኤል ንሳኦል ምስ ረኣዮ ኸኣ፡ እግዚኣብሄር፡ እቲ ዝበልኩኻ ሰብኣይ እንሆ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ ዝገዝእ እዚ እዩ፡ በሎ።
18ሳኦል ከኣ ኣብ ማእከል እቲ ደገ ናብ ሳሙኤል ቀሪቡ፡ ቤት እቲ ረኣይስ ኣበይ እዩ ዘሎ በጃኻ ንገረኒ፡ በሎ። 19ሳሙኤል ድማ ንሳኦል ከምዚ ኢሉ መለሰሉ፡ እቲ ረኣዪ ኣነ እየ፡ ሎሚ ምሳይ ክትምስሑ ኢኹም እሞ፡ ቀቅድመይ ናብቲ በሪኽ ደይብ፡ ጽባሕ ግና እቲ ኣብ ልብኻ ዘሎ ዅሉ ነጊረ ኽሰደካ እየ። 20ብዛዕባ እተን ካብ ዝጠፍኣኻ ሰለስተ መዓልቲ ዝገበራ ኣእዱግ ከኣ፡ ተረኺበን እየን እሞ፡ ብእአንሲ ኣይትሕሰብ። እቲ እስራኤል ዝትምነዮ ዘበለ ኵሉኸ፡ ንመን እዩ፡ ንኣኻን ንቤት ኣቦኻንዶ ኣይኰነን። 21ሳኦል ድማ፡ ኣነስ ብንያማዊ፡ ካብ ሓደ ኻብቶም ናእሽቱ ነገዳት እስራኤልዶ ኣይኰንኩን፡ ዓሌተይ ከኣ እቲ ኻብ ኵሎም ዓሌታት ነገድ ብንያም ዝንእስዶ ኣይኰነን፡ ስለምንታይ ደኣ ኢኻ ኸምዚ ዝበለ ዘረባ እትዛረበኒ ዘሎኻ፡ ኢሉ መለሰሉ። 22ሳሙኤል ድማ ንሳኦልን ነቲ ጊልያኡን ናብ ኣደራሽ ኣእትዩ፡ ብልዕሊ እቶም ዕዱማት ኣቐመጦም፡ ንሳቶም ከኣ ኣስታት ሰላሳ ሰብ ነበሩ። 23ሳሙኤል ድማ ነቲ ሰራሕ ጸብሒ፡ ነቲ ምሳኻ ኣንብሮ ኢለ ዝሃብኩኻ ምቃል ኣምጽኣዮ፡ በሎ። 24እቲ ሰራሕ ጸብሒ ከኣ ነቲ ሰለፍን ነቲ ምስኡ ዘሎን ኣምጺኡ ኣብ ቅድሚ ሳኦል ኣንበሮ። ሳሙኤል ድማ፡ እቲ ንህዝቢ ጸዊዐ ኽብል ከሎኹ፡ ነዛ ምድብቲ ግዜ እዚኣ ተነቢሩልካ እዩ እሞ፡ እቲ ተሪፉ ዝነበረ፡ እንሆ፡ ኣብ ቅድሜኻ ጌርካ ብልዓዮ፡ በለ። ሳኦል ከኣ በታ መዓልቲ እቲኣ ምስ ሳሙኤል በልዐ።
25ካብቲ በሪኽ ናብታ ኸተማ ምስ ወረዱ ድማ፡ ኣብ ናሕሲ ዀይኑ ምስ ሳኦል ተዛረበ። 26ኣንጊሆም ከኣ ተንስኡ። ኰነ ድማ፡ ቐይሐ ጸሊም ክቐድድ ከሎ፡ ሳሙኤል ኣብ ናሕሲ ዀይኑ ንሳኦል፡ ከፋንወካስ ተንስእ፡ ኢሉ ጸውዖ። ሳኦል ከኣ ተንስኣ፡ ንሱን ሳሙኤልን ድማ ክልቲኦም ናብ ግዳም ወጹ። 27ኣብ ወሰን እታ ኸተማ ምስ ወረዱ፡ ሳሙኤል ንሳኦል፡ ነዚ ግዙእ ንቕድሜና ሕለፍ፡ በሎ፡ ንሱ ኸኣ ሓለፈ ንስኻ ግና፡ ሕጂ ቓል ኣምላኽ ከስምዓካስ፡ ጠጠው በል፡ በሎ።

         1ይ ሳሙኤል  ምዕራፍ 10            

   1ሽዑ ሳሙኤል ብልቃጥ ዘይቲ ወሲዱ ናብ ልዕሊ ርእሱ ኣፍሰሰሉ እሞ ሰዓሞ በሎውን፡ እግዚኣብሄር ዝቐብኣካስ ኣብ ርስቱ ሹም ክትከውንዶ ኣይኰነን፧ 2ሎሚ ኻባይ ምስ ከድካ፡ ኣብ ጥቓ መቓብር ራሄል፡ ኣብ ዶብ ብንያም ኣብ ጸልጻሕ ክልተ ሰብ ክትረክብ ኢኻ፡ ንሳቶም ከኣ፡ እተን ኣእዱግ ክትደልየን ኬድካ ዝነበርካስ ተረኺበን። እንሆ ድማ፡ ኣቦኻ ብዛዕባ እተን ኣእዱግ ምሕሳብ ሓዲጉ፡ ናይዚ ወደይሲ እንታይ ክገብር እየ፧ እናበለ፡ ብኣኻትኩም ይጭነቕ ኣሎ፡ ክብሉኻ እዮም። 3ካብኡ ንቕድሚት ሕልፍ ኢልካ ኣብ ድዋ ታቦር ምስ መጻእካ ኸኣ፡ ኣብኡ ናብ ኣምላኽ ናብ ቤት-ኤል ዝድይቡ ሰለስተ ሰብ፡ እቲ ሓደ ሰለስተ ወጠጦ ጾይሩ፡ ሓደ ድማ ሰለስተ እንጌራ ጾይሩ፡ ሓደ ኸኣ ሓርቢ ወይኒ ጾይሩ ኽረኽቡኻ እዮም። 4ከመይ ኢልካ ኣሎኻ፡ ድማ ይብሉኻ፡ ክልተ እንጌራ ኸኣ ክሁቡኻ እዮም እሞ፡ ካብ ኢዶም ክትቅበሎ ኢኻ። 5ድሕርዚ ናብቲ ዘብዐኛታት ፍልስጥኤማውያን ዘለውዎ ዅርባ ኣምላኽ ክትመጽእ ኢኻ። ክኸውን ከኣ እዩ፡ ናብታ ኸተማ ኽትኣቱ ኸሎኻ፡ ኣብኣ እኩባት ነብያት ቀቅድሚኦም ድማ በገናን ከበሮን እምብልታን መሰንቆን ገይሮም፡ ካብቲ በሪኽ ክወርዱ ኽትረክብ ኢኻ፡ ንሳቶም ከኣ ክንበዩ እዮም። 6መንፈስ እግዚኣብሄር ድማ ናብ ልዕሌኻ ኽወርድ እዩ፡ ምሳታቶም ከኣ ክትንበ ኢኻ፡ ካልእ ሰብ ክትከውን ድማ ክትልወጥ ኢኻ። 7ይኸውን ከኣ፡ እዚ ምልክታት እዚ ምስ መጸካ፡ ኣምላኽ ምሳኻ እዩ እሞ፡ እቲ ዝምሽኣካ ግበር። 8ቅድመይ ናብ ጊልጋል ክትወርድ ኢኻ፡ እንሆ ኸኣ፡ ኣነ ዝሓርር መስዋእቲ ኸዕርግ፡ መስዋእቲ ምስጋና ድማ ክስውእ ናባኻ ኽወርድ እየ። ናባኻ መጺኣ እትገብሮ ኽሳዕ ዝነግረካ፡ ሾብዓተ መዓልቲ ኽትጸንሕ ኢኻ።
9ኰነ ድማ፡ ካብ ሳሙኤል ክኸይድ ዝባኑ ምስ መለሰ፡ ኣምላኽ ካልእ ልቢ ለወጠሉ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ እዚ ምልክታት እዚ ዅሉ መጸ። 10ናብታ ዅርባ ምስ መጹ ድማ፡ እንሆ፡ እኩባት ነብያት ተቐባበልዎ፡ መንፈስ ኣምላኽ ከኣ ኣብ ልዕሊኡ ወረደ እሞ ኣብ ማእከሎም ኰይኑ ተነበየ። 11ኰነ ድማ፡ እቶም ቀደም ዝፈልጥዎ ዝነበሩ ዅሎም፡ እንሆ፡ ምስ ነብያት ኰይኑ ኽንበ ምስ ረኣይዎ፡ እቲ ህዝቢ ንሓድሕዱ፡ እዚ ኣብ ወዲ ቂስ ኰይኑ ዘሎ እንታይ እዩ፡ ሳኦልውንንዶ ምስ ነብያት እዩ፧ በለ። 12ኣብቲ ስፍራ እቲ ዝነብር ሓደ ሰብኣይ ከኣ፡ ኣቦኦምስ መን እዩ ኢሉ፡ መለሰ። ስለዚ እዩ እቲ ምስላ ዝዀነ፡ ሳኦልውንንዶ ምስ ነብያት እዩ፧ 13ምንባይ ምስ ወድኣ ድማ፡ ናብቲ በሪኽ መጸ።
14ሓወቦ ሳኦል ከኣ ንእኡን ነቲ ግዙኡን፡ ናበይ ኬድኩም ኔርኩም ኢኹም፧ በሎም። ንሱ ድማ፡ ኣእዱግ ክንደሊ፡ ከም ዘየለዋ ምስ ርኣና ግና፡ ናብ ሳሙኤል መጻእና፡ በለ። 15ሓወቦ ሳኦል ድማ፡ እቲ ሳሙኤል ዝበለኩም በጃኻ ንገረኒ፡ በለ። 16ሳኦል ከኣ ንሓወቦኡ፡ ኣእዱግ ከም እተረኽባ ኣርጊጹ ነገረና፡ በሎ። እቲ ሳሙኤል ብናይ መንግስቲ ነገር ዝበሎ ግና ኣይነገሮን።
17ሳሙኤል ድማ ነቲ ህዝቢ ናብ እግዚኣብሄር ኣብ ሚጽጳ ጸውዖ። 18ንደቂ እስራኤል ከኣ በሎም፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፡ ኣነ ንእስራኤል ካብ ግብጺ ኣውጻእክዎም፡ ካብ ኢድ ግብጻውያንን ካብ ኢድ ኵሎም ዘጨንቑኹም መንግስታትን ኣድሓንኩኹም፡ ይብል ኣሎ። 19ሎሚ ግና ንስኻትኩም ነቲ ኻብ ኵሉ መከራን ጸበባን ዘድሕነኩም ኣምላኽ ንዓቕኩምዎ፡ ንእኡ ኸኣ፡ ኣይፋልካ፡ ንጉስ ደኣ ኣንግሰልና፡ በልኩምዎ። እምበኣርሲ ሕጂ በብነገድኩም በብሽሕኩምን ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅረቡ፡ በሎም። 20ሳሙኤል ከኣ ንዅሎም ንገዳት እስራኤል ኣቕረቦም፡ እቲ ዕጭ ድማ ኣብ ነገድ ብንያም በጽሐ። 21ንነገድ ብንያም ከኣ በብዓሌቱ ኣቕረቦ፡ እቲ ዕጭ ድማ ኣብ ዓሌት ማትሪ በጽሐ፡ ኣብ ሳኦል ወዲ ቂስውን በጽሐ። እንተ ደለይዎ ግና፡ ኣይተረኸበን። 22መሊሶም ከኣ፡ እቲ ሰብኣይ ናብዚዶ መጺኡ ኣሎ፧ ኢሎም ንእግዚኣብሄር ሓተትዎ። እግዚኣብሄር ድማ፡ እንሆ፡ ንሱ ኣብ መንጎ ኣቓሑ ተሓቢኡ ኣሎ፡ ኢሉ መለሰ። 23ጐይዮም ከኣ ካብኡ ኣምጽእዎ፡ ኣብ ማእከል እቲ ህዝቢ ደው ምስ በለ ድማ፡ ንዅሉ እቲ ህዝቢ ኻብ መንኵቡ ንላዕሊ ነውሖ። 24ሳሙኤል ድማ ንዅሎም እቶም ህዝቢ፡ እቲ እግዚኣብሄር ዝሓረዮ፡ ኣብ ኵሉ ህዝቢ፡ ኸምኡ ዝበለ ኸም ዘየልቦ ርኢኹምዶ፧ በሎም። ብዘለዉ እቶም ህዝቢ ኸኣ፡ ንጉስ ህያው ይኹን፡ እናበሉ እልል በሉ።
25ሽዑ ሳሙኤል ነቲ ህዝቢ ሕጋጋት መንግስቲ ነገሮ፡ ኣብ መጽሓፍ ጽሒፉ ኸኣ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣንበሮ። ሳሙኤል ድማ ንብዘሎ እቲ ህዝቢ ንነፍሲ ወከፍ ነናብ ቤቱ ሰደዶ። 26ሳኦልውን ናብ ቤቱ ናብ ጊብዓ ኸደ፡ ኣምላኽ ልቦም ዘንቅሐ ጀጋኑ ኸኣ ምስኡ ኸዱ። 27እቶም ደቂ ብልያል ግና፡ እዚ ደኣ ኸመይ ገይሩ ኸድሕነና እዩ፡ ኢሎም ነዓቕዎ እሞ፡ ገጽ በረኸት ኣይሃብዎን። ንሱ ግና ከም ዘይሰምዐ ዀነ።

         1ይ ሳሙኤል  ምዕራፍ 11            

   1ናሓሽ ዓሞናዊ ድማ ደዪቡ ንያቤስ-ጊልዓድ ከበባ። ኵሎም ሰብ ያቤስ ከኣ ንናሓሽ፡ ክንግዝኣካስ ኪዳን እተወልና፡ በልዎ። 2ናሓሽ እቲ ዓሞናዊ ኸኣ፡ የማነይቲ ዓይኒ ኵልኹም ብምንቋር፡ በዚ ኸኣ ኣብ ብዘሎ እስራኤል ነውሪ ኽገብር፡ በዚ እየ ምሳኻትኩም ኪዳን ዝኣቱ፡ በሎም። 3እቶም ዓበይቲ ያቤስ ከኣ፡ ናብ ብዘላ ምድሪ እስራኤል ልኡኻት ክንሰድድሲ፡ ሾብዓተ መዓልቲ ኣቋጽረና፡ ዘድሕነና ዘየልቦ እንተ ዀነ ኸኣ፡ ሽዑ ናባኻ ንወጽእ፡ በልዎ። 4እቶም ልኡኻት ድማ ናብታ ናይ ሳኦል ጊብዓ መጹ፡ እዚ ቓላት እዚ ድማ ኣብ ኣእዛን እቲ ህዝቢ ተዛረቡ። ኵሎም እቶም ህዝቢ ኸኣ ድምጾም ዓው ኣቢሎም በኸዩ። 5እንሆ ድማ፡ ሳኦል ደድሕሪ ኣብዑር ካብ መሮር ይኣቱ ነበረ። ሳኦል ከኣ፡ እዚ ህዝቢ ዝበኪ ዘሎ እንታይ ከይኑ እዩ፧ በለ። ንሳቶም ድማ እቲ ዘረባ ሰብ ያቤስ ነገርዎ። 6ሳኦል ድማ እዚ ነገር እዚ ምስ ሰምዐ፡ መንፈስ ኣምላኽ ወረዶ፡ ኵራኡ ኸኣ ኣዝዩ ነደደ። 7ጽምዲ ብዕራይ ወሲዱ ድማ ቈራሪጹ፡ እቲ ወጺኡ ደድሕሪ ሳኦልን ደድሕሪ ሳሙኤልን ዘይስዕብ፡ ኣብዑሩ ኸምዚ ኽግበሩ እዮም፡ ኢሉ ብኢድ ልኣኻት ገይሩ ናብ ብዘሎ ምድሪ እስራኤል ሰደዶ። ሽዑ ፍርሃት እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ እቶም ህዝቢ ወደቐ፡ ከም ሓደ ሰብ ኰይኖም ከኣ ወጹ። 8ኣብ ቤዜቅ ከኣ ቈጸሮም እሞ ደቂ እስራኤል ሰለስተ ሚእቲ ሽሕ፡ ይሁዳ ኸኣ ሰላሳ ሽሕ ኰኑ።
9ነቶም ዝመጹ ልኡኻት ድማ በልዎም፡ ንሰብ ያቤስ-ጊልዓድ፡ ጽባሕ በርቂ ጸሓይ ምድሓን ክትረኽቡ ኢኹም፡ ኢልኩም በልዎም። እቶም ልኡኻት ድማ መጺኦም ንሰብ ያቤስ ነገርዎም፡ ንሳቶም ከኣ ተሓጐሱ። 10እቶም ሰብ ያቤስ ከኣ፡ ጽባሕ ክንወጸልኩም ኢና፡ ሽዑ ኸምቲ ጽቡቕ ኰይኑ እተራእየኩም ግበሩና፡ በሉ። 11ኰነ ድማ፡ ንጽብሒቱ ሳኦል ነቲ ህዝቢ ኣብ ሰለስተ ጭፍራ መቐሎ፡ ብግዜ ሓለዋ ወጋሕታ ኸኣ ናብቲ ሰፈር ኣትዮም መዓልቲ ኽሳዕ ዝድህር ንዓሞናውያን ቀተልዎም። ኰነ ኸኣ፡ እቶም ካባታቶም ዝተረፉ ኽልተ እኳ ብሓደ ዀይኖም ከይተረፉ ፋሕ በሉ።
12ሽዑ እቲ ህዝቢ ንሳሙኤል፡ እቲ ሳኦልዶ ኣብ ልዕሌና ኽነግስ እዩ፡ ዝበለ መን እዩ፡ ነቶም ሰባት እቲኣቶም ክንቀትሎም ኣምጽእዎም፡ በለ። 13ሳኦል ግና፡ እግዚኣብሄር ሎሚ ኣብ እስራኤል ምድሓን ገይሩ እዩ እሞ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ሰብ ኣይመውትን፡ በለ።
14ሳሙኤል ድማ ነቲ ህዝቢ፡ ንዑ፡ ናብ ጊልጋል ንኺድ፡ ኣብኡ ኸኣ ነቲ መንግስቲ ንሓድሶ፡ በሎ። 15ብዘለዉ እቶም ህዝቢ ድማ ናብ ጊልጋል ከዱ፡ ኣብኣ ኸኣ ንሳኦል ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ጊልጋል ኣንገስዎ፡ ኣብኣ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር መስዋእቲ ምስጋና ሰውኡ። ኣብኣ ኸኣ ሳኦልን ኵሎም ሰባት እስራኤልን ብዙሕ ተሓጐሱ።

         1ይ ሳሙኤል  ምዕራፍ 12            

   1ሳሙኤል ድማ ንብዘለዉ እስራኤል በሎም፡ እንሆ፡ ኵሉ እቲ ዝበልኩምኒ ቓልኩም ሰሚዐ፡ ኣብ ልዕሌኹም ንጉስ ኣንገስኩ። 2ሕጂ ኸኣ፡ እቲ ቐቅድሜኹም ዝኸይድ ንጉስ እንሆ፡ ኣነ ድማ ኣሪገ ሸየብኩ፡ ደቀይ ከኣ እነዉ ምሳኻትኩም ኣለዉ። ኣነ ድማ ካብ ንእስነተይ ጀሚረ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ቐቅድሜኹም እኸይድ ነበርኩ። 3እኔኹ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርን ኣብ ቅድሚ ቕቡኡን ብዛዕባይ መስክሩ፡ ብዕራይ መን ወሰድኩ ወይ ኣድጊ መን ወሰድኩ፡ ወይስ ንመን ዓመጽኩ፡ ንመን ኣጥቃዕኩ፡ ዓይነይ ከዑረሉ ኢለኸ ኻብ ኢዱ መማለዲ እተቐበልክዎዶ ኣሎ፧ እሞ ኽመልሰልኩም። 4ንሳቶም ከኣ፡ ኣይዓመጽካናን ኣየጥቃዕካናን ድማ፡ ካብ ኢድ ሰብውን ገለ እኳ ኣይወሰድካን፡ በሉ። 5ንሱ ኸኣ፡ ኣብ ኢደይ ገለ እኳ ኸም ዘይረኸብኩምለይሲ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ እግዚኣብሄር ምስክር እዩ፡ ቅቡኡውን ምስክር እዩ፡ በሎም። ንሳቶም ከኣ ምስክር እዩ በሉ። 6ሳሙኤል ድማ ነቶም ህዝቢ በሎም፡ እቲ ንሙሴን ንኣሮንን ዝገበሮም ነቦታትኩም ከኣ ካብ ምድሪ ግብጺ ዘደየቦም እግዚኣብሄር ንሱ እዩ። 7እምበኣር ሕጂስ ብዛዕባ እቲ እግዚኣብሄር ንኣኻትኩምን ነቦታትኩን ዝገበሮ ዅሉ ጻድቕ ግብርታቱ ኣነ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፋረደኩምሲ፡ ደው በሉ። 8ያእቆብ ኣብ ግብጺ ምስ ኣተወ፡ ኣቦታትኩም ድማ ናብ እግዚኣብሄር ምስ ተማህለሉ፡ ሽዑ እግዚኣብሄር ንሙሴን ንኣሮንን ለኣኾም፡ ንሳቶም ከኣ ነቦታትኩም ካብ ግብጺ ኣውጽእዎም፡ ኣብዛ ቦታ እዚኣ ድማ ኣቐመጥዎም። 9ንሳቶም ግና ንእግዚኣብሄር፡ ኣምላኾም ረስዕዎ፡ ንሱ ኸኣ ኣብ ኢድ ሲሰራ፡ ሓለቓ ሰራዊት ሓጾርን፡ ኣብ ኢድ ፍልስጥኤማውያንን ኣብ ኢድ ንጉስ ሞኣብን ኣሕሊፉ ሃቦም፡ ንሳቶም ድማ ተዋግእዎም። 10ሽዑ፡ ንእግዚኣብሄር ሓዲግናስ ንበዓሊምን ንኣስታርቴታትን ብምግልጋል በዲልና ኢና እሞ፡ ሕጂ ግና ካብ ኢድ ጸላእትና ኣድሕነና፡ ንሕና ድማ ከነገልግለካ ኢና፡ ኢሎም ናብ እግዚኣብሄር ተማህለሉ። 11እግዚኣብሄር ከኣ ንየሩብ-በዓልን በዳንን ይፍታሕን ሳሙኤልን ልኢኹ፡ ካብ ኢድ እቶም ኣብ ዙርያኹም ዝነብሩ ዘለዉ ጸላእትኹም ኣድሓነኩም፡ ሃዲእኩም ድማ ተቐመጥኩም። 12ናሓሽ ንጉስ ደቂ ዓሞን ከም ዝመጸኩም ምስ ርኣኹም ከኣ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንጉስኩም ክነሱስ፡ ኣይፋል፡ ንጉስ ደኣ ኣብ ልዕሌና ይንገስ፡ በልኩምኒ። 13ሕጂ ኸኣ እንሆ፡ እቲ ዝለመንኩምዎን ዝሓሬኹምዎን ንጉስ፡ እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ልዕሌኹም ንጉስ ሂቡኩም፡ እንሆ። 14ንእግዚኣብሄር እንተ ትፈርህዎን እንተ ተገልግልዎን ቃሉውን እንተ ትሰምዑ ንትእዛዝ እግዚኣብሄር ከኣ እንተ ዘይኣቤኹምዎ፡ ንስኻትኩምን እቲ ኣብ ልዕሌኹም ዝነግስ ንጉስን ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እንተ ስዒብኩምዎ ድማ ደሓን። 15ግናኸ ንቓል እግዚኣብሄር እንተ ዘይሰማዕኩም፡ ንትእዛዝ እግዚኣብሄርውን እንተ ኣቤኹምዎ፡ ሽዑ ኢድ እግዚኣብሄር ከምቲ ነቦታትኩም እተጻረረት፡ ንኣኻትኩም ድማ ክትጻረረኩም እያ። 16ሕጂ ኸኣ ደው ኢልኩም ነቲ እግዚኣብሄር ኣብ ቅድሚ ዓይንኹም ዝገብሮ ዓብዪ ነገር ርኣዩ። 17ሎምስ ግዜ ዓጺድ ስርናይዶ ኣይኰነን፡ እቲ ንጉስ ብምልማንኩም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዝገበርኩምዎ ኽፍኣት ዓብዪ ኸም ዝዀነ ምእንቲ ኽትፈልጡን ክትርእዩንሲ፡ ንእግዚኣብሄር ክልምኖ እየ፡ ንሱ ኸኣ ነጒድን ዝናምን ክሰድድ እዩ። 18ሽዑ ሳሙኤል ንእግዚኣብሄር ለመኖ፡ እግዚኣብሄር ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ ነጒድን ዝናምን ሰደደ፡ ኵሉ እቲ ህዝቢ ኸኣ ንእግዚኣብሄርን ንሳሙኤልን ኣዝዮም ፈርሁ። 19ብዘለዉ እቶም ህዝቢ ኸኣ ንሳሙኤል፡ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ሓጢኣትናስ፡ ንጉስ ብምልማንና እዚ ኽፉእ እዚ ድማ ወሲኽና ኢና እሞ፡ ምእንቲ ኸይንመውትሲ፡ ስለ ገላውኻ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ለምነልና፡ በልዎ። 20ሳሙኤል ነቶም ህዝቢ በሎም፡ ኣይትፍርሁ፡ ምግባርሲ እዚ ዅሉ ኽፉእ እዚ ንስኻትኩም ጌርኩምዎ ኢኹም፡ ግናኸ ንእግዚኣብሄር ካብ ምስዓብ ኣይትዝበሉ፡ ብምሉእ ልብኹም ድኣ ንእግዚኣብሄር ኣገልግልዎ። 21ነቶም ዘይጠቕሙን ዘየድሕኑን፡ ከንቱ ስለ ዝዀኑ፡ ምስዓቦም ከንቱ እዩ እሞ፡ ኣይተግልሱ። 22እግዚኣብሄር ህዝቡ ኽገብረኩም ፈትዩ እዩ እሞ፡ ስለዚ እግዚኣብሄር ምእንቲ እቲ ዓብዪ ስሙ ኢሉ ንህዝቡ ኣይሓድጎን እዩ። 23ኣነስ እታ ጽብቕትን ቅንዕትን መገዲ እባ ደኣ ኽምህረኩም እየ እምበር፡ ምእንታኹም ምልማን ብምሕዳገይ ንእግዚኣብሄር ምብዳልሲ ኻባይ ይርሓቕ። 24እቲ ንኣኻትኩም ዝገበሮ ዓብዪ ነገር ርኣዩ እሞ፡ ንእግዚኣብሄር ጥራይ ፍርሁ፡ ብምሉእ ልብኹም ኣሚንኩም ከኣ ኣገልግልዎ። 25ቀጺልኩም ክፉእ እንተ ገበርኩም ግና፡ ንስኻትኩምን ንጉስኩምን ክትጠፍኡ ኢኹም።

         1ይ ሳሙኤል  ምዕራፍ 13           

   1ሳኦል ሓደ ዓመት ነገሰ። ክልተ ዓመት ኣብ ልዕሊ እስራኤል ምስ ነገሰ ድማ፡ 2ሳኦል ካብ እስራኤል ሰለስተ ሽሕ ሰብኣይ ሓረየ፡ ክልተ ሽሕ ምስ ሳኦል ኣብ ሚኽማሽን ኣብ ከረን ቤት-ኤልን ነበሩ፡ ሓደ ሽሕ ከኣ ምስ ዮናታን ኣብ ጊብዓ ናይ ብንያም ነበሩ። ነቲ ዝተረፈ ህዝቢ ግና ንነፍሲ ወከፍ ነናብ ድንኳኑ ሰደዶ። 3ዮናታን ድማ ነቲ ኣብ ጌባዕ ዝነበረ ጭፍራ ፍልስጥኤማውያን ወቕዖ፡ ፍልስጥኤማውያን ከኣ እዚ ሰምዑ። ሳኦል ድማ፡ እብራውያን ይስምዑ፡ ኢሉ ኣብ ብሃገሩ መለኸት ነፍሐ። 4ብዘለዉ እስራኤል ከኣ፡ ሳኦል ንጭፍራ ፍልስጥኤማውያን ወቒዕዎም፡ እስራኤል ድማ ብፍልስጥኤማውያን ተፈንፊኑ እዩ፡ ክብሉ ሰምዑ። እቶም ህዝቢ ኸኣ ንሳኦል ክስዕቡ ናብ ጊልጋል ተኣከቡ።
5ፍልስጥኤማውያን ድማ ሰላሳ ሽሕ ሰረገላ፡ ሹድሽተ ሽሕ ከኣ ፈረሰኛ፡ ህዝቢ ድማ ከምቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዘሎ ሑጻ ዝምብዛሖም ኰይኖም፡ ምስ እስራኤል ክዋግኡ ተኣከቡ። ደዪቦም ድማ ኣብታ ኣብ ምብራቕ ቤት-ኣዌን ዘላ ሚኽማሽ ሰፈሩ። 6እቶም ሰብ እስራኤል ከኣ፡ እቲ ህዝቢ ጸቢብዎ ነበረ እሞ ከም ዝጸበቦ ምስ ረኣዩ፡ እቶም ህዝቢ ናብ በዓትታትን ናብ ኣድዋርን ናብ ኣኻውሕን ናብ ግምብታትን ናብ ጐዳጕድን ተሓብኡ። 7ገሊኦም እብራውያን ከኣ ንዮርዳኖስ ተሳጊሮም ናብ ምድሪ ጋድን ጊልዓድን ከዱ። ሳኦል ድማ ገና ኣብ ጊልጋል ነበረ፡ ብዘለዉ እቶም ህዝቢ ኸኣ እናንቀጥቀጡ ሰዓብዎ።
8ከምታ ሳሙኤል ዝመደባ ግዜ ሾብዓተ መዓልቲ ተጸበየ፡ ሳሙኤል ግና ናብ ጊልጋል ኣይመጸን፡ እቲ ህዝቢ ድማ ካብኡ ፋሕ በለ። 9ሽዑ ሳኦል፡ ዝሓርር መስዋእትን መስዋእቲ ምስጋናን ኣቕርቡለይ፡ በለ። ዝሓርር መስዋእቲ ኸኣ ሰውኣ።
10ኰነ ድማ፡ ነቲ ዝሓርር መስዋእቲ ኣዕሪጉ ምስ ፈጸመ፡ እንሆ፡ ሳሙኤል መጸ፡ ሳኦል ከኣ ሰላም ክብሎ ኢሉ፡ ክቕበሎ ወጸ። 11ሳሙኤል ድማ፡ እንታይ ግብሩ ገበርካ፧ በሎ። ሳኦል ከኣ እቲ ህዝቢ ኻባይ ፋሕ ከም ዝበለ፡ ንስኻ ድማ በተን እተመደባ መዓልትታት ከም ዘይመጻእካ፡ ፍልስጥኤማውያንውን ኣብ ሚኽማሽ ከም እተኣከቡ ርኣኹ እሞ፡ 12ስለዚ ገና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከይጸሌኹ ኸሎኹ፡ ፍልስጥኤማውያን ናባይ ናብ ጊልጋል ሕጂ ኽውርዱ እዮም ኢለ ደፊረ ዝሓርር መስዋእቲ ኣዕረግኩ፡ በለ። 13ሳሙኤል ድማ ንሳኦል በሎ፡ ዓሺካ፡ እቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝኣዘዘካ ትእዛዝ ኣይሓሎኻን። እንተ ዘይኰነስ፡ ሕጂ እግዚኣብሄር ንመንግስትኻ ኣብ እስራኤል ንሓዋሩ መጽንዓልካ ነይሩ። 14ሕጂ ግና እቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዘካ ኣይሓሎኻን እሞ፡ መንግስትኻ ኣይትቐውምን እያ። እግዚኣብሄር ከም ልቡ ዝበለ ሰብኣይ ደልዩስ፡ ንእኡ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ሹም ገበሮ።
15ሳሙኤል ድማ ካብ ጊልጋል ተንሲኡ ናብ ጊብዓ ናይ ብንያም ደየበ። ሳኦል ከኣ ነቶም ምስኡ ዘለዉ ህዝቢ፡ ኣስታት ሹድሽተ ሚእቲ ሰብኣይ ቈጸሮም። 16ሳኦልን ዮናታን ወዱን እቲ ምሳታቶም ዘሎ ህዝብን ድማ ኣብ ጊብዓ ናይ ብንያም ተቐሚጦም ነበሩ። ፍልስጥኤማውያን ግና ኣብ ሚኽማሽ ሰፈሩ። 17ካብቲ ሰፈር ፍልስጥኤማውያን ከኣ ወረርቲ ብሰለስተ ኽፍሊ ዀይኖም ወጹ፡ እቲ ሓደ ኽፍሊ ብመገዲ ዖፍራ ናብ ምድሪ ሹዓል ኣበለ። 18እቲ ሓደ ኽፍሊ ኸኣ ብመገዲ ቤት-ሖሮን ኣበለ፡ እቲ ሓደ ኽፍሊውን ብመገዲ እቲ ኣብ ለሰ ጸቦዒም ዝርኢ ዶብ፡ ብሸነኽ በረኻ ኣበለ።
19ፍልስጥኤማውያን ድማ፡ እብራውያን ሴፍ ወይ ኵናት ኣይስርሑ፡ ኢሎም ነበሩ እሞ፡ ኣብ ብዘሎ ሃገር እስራኤል ቀጥቃጥ ሓጺን ኣይነበረን። 20-21ስለዚ ብልሒ መዓጺድን መባሮታትን ሰለስተ ዝጨንፈሩ መስኣታትን ማሕጼታትን ምስ ጐደመ፡ ሓንካሾታት ከኣ ንምቕናዕ፡ ኵላቶም እስራኤል ነፍሲ ወከፍ ማሕረሻኡን መባሮኡን ማሕጼኡን ማዕጺዱን ከትብዕ ኢሉ ናብ ፍልስጥኤማውያን ይወርድ ነበረ። 22ኰነ ኸኣ፡ ብመዓልቲ ውግእ ኣብ ኢድ ኵሉ እቲ ምስ ሳኦልን ምስ ዮናታንን ዝነበረ ህዝቢ ሴፍ ወይ ኵናት ኣይተርኽበን፡ ምስ ሳኦልን ምስ ዮናታን ወዱን ግና ተረኸበ። 23ሓደ ጭፍራ ፍልስጥኤማውያን ከኣ ናብቲ መሳገሪ ሚኽማሽ ወጸ።

         1ይ ሳሙኤል  ምዕራፍ 14   

   1ሓደ መዓልቲ ኸኣ ዀነ፡ ዮናታን ወዲ ሳኦል ነቲ መንእሰይ ጋሻ ዛግሬኡ፡ ንዓናይ፡ ናብቲ ኣብ ስግር ዘሎ ጭፍራ ፍልስጥኤማውያን ንሳገር፡ በሎ። ነቦኡ ግና ኣይነገሮን። 2ሳኦል ከኣ ኣብ ወሰን ጊብዓ ኣብ ትሕቲ እታ ኣብ ሚግሮን ዘላ ሮማን ተቐሚጡ ነበረ፡ እቲ ምስኡ ዝነበረ ህዝቢ ኸኣ ኣስታት ሹድሽተ ሚእቲ ሰብ ነበረ። 3ኣሒያ ወዲ ኣሒጡብ፡ ሓው ኢካቦድ፡ ወዲ ፊንሃስ ወዲ ኤሊ፡ እቲ ኣብ ሺሎ ኻህን እግዚኣብሄር ዝነበረ፡ ኤፎድ ጾይሩ ነበረ። እቲ ህዝቢ ኸኣ ዮናታን ከም ዝኸደ ኣይፈልጥን ነበረ። 4በታ ዮናታን ናብ ጭፍራ ፍልስጥኤማውያን ክሳገረላ ዝደለየ መሳገሪ ድማ ነቲ መሳገሪ ብሓደ ሸነኹ ጨላቝ ከውሒ፡ ነቲ መሳገሪ ብኻልኣይ ሸነኹ ኸኣ ጨላቝ ከውሒ ነበረ፡ ስም እቲ ሓደ ቦጼጽ፡ ስም እቲ ኻልኣይ ድማ ሴኔህ ነበረ። 5እቲ ሓደ ጨላቝ ብወገን ሰሜን ኣብ መንጽር ሚኽማሽ፡ እቲ ኻልኣይ ከኣ ብወገን ደቡብ ኣብ መንጽር ጌባዕ ቈይሞም ነበሩ። 6ዮናታን ድማ ነቲ መንእሰይ ጋሻ ዛግሬኡ፡ እግዚኣብሄር ብብዙሓት ኰነ ወይ ብሒዶት ገይሩ ምድሓን ዝኽልክሎ የልቦን እሞ፡ ምናልባሽ እግዚኣብሄር ገለ ይገብረልና ይኸውን፡ ንዓናይ፡ ናብ ጭፍራ እዞም ዘይግዙራት እዚኣቶም ንሳገር፡ በሎ። 7እቲ ጋሻ ዛግሬኡ ድማ፡ ኣብ ልብኻ ዘሎ ዘበለ ግበር፡ ንስኻ ኺድ፡ ኣነ ኸኣ እኔኹ፡ ከም ድላይ ልብኻ ምሳኻ እየ፡ በሎ። 8ሽዑ ዮናታን፡ እንሆ፡ ንሕና ናብቶም ሰባት ንሳገር፡ ንርኣዮም ከኣ። 9ንሳቶም፡ ክሳዕ እንመጸኩም ጽንሑ እንተ በሉና፡ ንሕና ኣብ ዘሎናዮ ንጽናሕ፡ ናባታቶም ኣይንደይብ። 10ናባና ደይቡ፡ እንተ በሉና ግና፡ እዚ ንኣና ምልክት እዩ፡ እግዚኣብሄር ኣብ ኢድና ሂቡና እዩ እሞ ንደይቦም፡ በለ። 11ክልቲኦም ድማ ነቶም ጭፍራ ፍልስጥኤማውያን ተራእይዎም። ፍልስጥኤማውያን ከኣ፡ እንሆ፡ እብራውያን ካብቲ ተሓቢኦምዎ ዝነበሩ ጐዳጕዲ ይወጹ ኣለዉ፡ በሉ። 12እቶም ናይቲ ጭፍራ ሰባት ድማ ንዮናታንን ነቲ ጋሻ ዛግሬኡን፡ ሓደ ነገር ከነፍልጠኩምሲ ናባና ደይቡ፡ ኢሎም መለሱሎም። ዮናታን ከኣ ነቲ ጋሻ ዛግሬኡ፡ እግዚኣብሄር ኣብ ኢድ እስራኤል ኣሕሊፉ ሂብዎም እዩ እሞ፡ ደድሕረይ ደይብ፡ በሎ። 13ዮናታን ድማ በእዳዉን በእጋሩን እናተቛናጠጠ ደየበ፡ እቲ ጋሻ ዛግሬኡውን ደድሕሪኡ ሰዓቦ። ኣብ ቅድሚ ዮናታን ከኣ ወደቑ፡ እቲ ጋሻ ዛግሬኡውን ደድሕሪኡ ዀይኑ ይቐትሎም ነበረ። 14በቲ ዮናታንን ጋሻ ዛግሬኡን ኰይኖም ኣተዋግኡሉ ቐዳማይ ውግእ መዓል ጽምዲ ኣብ እትኣክል ቃድራ ኣስታት ዕስራ ሰብኣይ ቀተሉ። 15ሽዑ ኣብ ሰፈርን ኣብ መሮርን ኣብ ብዘሎ ህዝብን ምሽባር ኰነ፡ እቶም ጭፍራን እቶም ወረርትን ንሳቶም ከኣ ተሸበሩ። ካብ ኣምላኽ ፍርሃት ኰነ፡ እታ ሃገር ድማ ኣንቀጥቀጠት።
16እቶም ኣብ ጊብዓ ናይ ብንያም ዝነበሩ ዘብዐኛታት ሳኦል ከኣ ጠመቱ፡ እንሆ ድማ፡ እቲ ሰራዊት ፋሕ ኢሉ ናብዝን ናብትን ከደ። 17ሽዑ ሳኦል ነቶም ምስኡ ዘለዉ ህዝቢ፡ ቈጺርኩም ካባና መን ከም ዝኸደ ርኣዩ፡ በሎም። ንሳቶም ምስ ቈጸሩ ኸኣ፡ እንሆ፡ ዮናታንን ጋሻ ዛግሬኡን ኣይነበሩን። 18በታ መዓልቲ እቲኣ ታቦት ኣምላኽ ምስ ደቂ እስራኤል ነበረ እሞ፡ ሳኦል ድማ ንኣሒያ፡ ታቦት ኣምላኽ ናብዚ ኣምጽእ፡ በሎ። 19ኰነ ኸኣ፡ ሳኦል ምስቲ ኻህን ክዛረብ ከሎ፡ እቲ ኣብ ሰፈር ፍልስጥኤማውያን ዝነበረ ታዕታዕ ኣዝዩ እናበርትዐ ኸደ። ሳኦል ድማ ነቲ ኻህን፡ ኢድካ ምለስ፡ በሎ። 20ሳኦልን እቲ ምስኡ ዝነበረ ዅሉ ህዝብን ከኣ ተኣኪቦም ክሳዕ ናብቲ ውግእ ኣተዉ። እንሆ ድማ፡ ሴፍ ነፍሲ ወከፍ ናብ ብጻዩ ዀነ፡ ኣዝዩ ብርቱዕ ዕግርግር ከኣ ዀነ። 21እቶም ቅድም ምስ ፍልስጥኤማውያን ዝነበሩ እሞ ካብቲ ኸባቢ ምሳታቶም ናብቲ ሰፈር ዝደየቡ እብራውያን፡ ንሳቶምውን ምስቶም ምስ ሳኦልን ዮናታንን ዝነበሩ እስራኤላውያን ክዀኑ ተመልሱ። 22እቶም ኣብ ከረን ኤፍሬም ተሓቢኦም ዝነበሩ ዅሎም ሰብ እስራኤል ድማ፡ ፍልስጥኤማውያን ከም ዝሃደሙ ምስ ሰምዑ፡ ንሳቶም ከኣ ደድሕሪኦም ናብቲ ውግእ ሰዓቡ። 23እግዚኣብሄር ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ ንእስራኤል ኣድሓኖ። እቲ ውግእ ከኣ ንቤት-ኣዌን ሓሊፉ ነበረ።
24በታ መዓልቲ እቲኣ እቶም ሰብ እስራኤል፡ ላህሊሆም ነበሩ፡ ሳኦል ግና ነቶም ህዝቢ፡ ንጸላእተይ ሕነ ኽሳዕ ዝፈዲ፡ ክሳዕ ምሸት እንጌራ ዝበልዕ ሰብ ርጉም ይኹን፡ ኢሉ ረገሞም። ኵሉ ህዝቢ ኸኣ እንጌራ ኣይጠዓመን። 25ኵሉ ህዝቢ እታ ሃገር ድማ ናብ ዱር መጸ፡ መዓር ከኣ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ነበረ። 26እቲ ህዝቢ ናብቲ ዱር ምስ መጸ ድማ፡ እንሆ፡ እቲ መዓር ይውሕዝ ነበረ፡ እቲ ህዝቢ ግና፡ ነቲ መርገም ስለ ዝፈርሀ፡ ኢዱ ናብ ኣፉ ዘቕረበ የልቦን። 27ዮናታን ግና ኣቦኡ ነቲ ህዝቢ ኸምሕሎ ኸሎ ኣይሰምዐን ነበረ እሞ፡ ጫፍ እታ ኣብ ኢዱ ዘላ በትሪ ሰዲዱ ኣብቲ ጐጎ መዓር ጠምዐ፡ ኢዱ ኸኣ ናብ ኣፉ መለሰ፡ ኣዒንቱ ድማ በርሃ። 28ሽዑ ኻብቶም ህዝቢ ሓደ ሰብኣይ፡ ኣቦኻ፡ ሎሚ እንጌራ ዝበልዕ ርጉም ይኹን፡ ኢሉ ንህዝቢ ኣጽኒዑ ኣምሒሉ እዩ፡ ኢሉ መለሰ። እቲ ህዝቢ ኸኣ ደኺሙ ነበረ። 29ሽዑ ዮናታን፡ ኣቦይ ነዛ ሃገር ጐድኣ። ካብዚ መዓር እዚ ሒደት ስለ ዝጠዓምኩ፡ ኣዒንተይ ከም ዝበርሃ፡ በጃኹም ርኣዩ፡ 30እዚ ህዝቢ ሎሚ ኻብዚ ዝረኸቦ ምርኮ ጸላእቱ ኣጸቢቑ እንተ ዝበልዕ ደኣ ኽንደይ ምጸበቐ ነይሩ፡ ሕጂ እቲ ስዕረት ኣብ ፍልስጥኤማውያንዶ ኣይምዓበየን፡ በለ።
31በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ንፍልስጥኤማውያን ካብ ሚኽማሽ ክሳዕ ኣያሎን ሰዓርዎም። እቲ ህዝቢ ኸኣ እምብዛ ደኸመ። 32እቶም ህዝቢ ድማ ናብ ምርኮ ጐይዮም ኣባጊዕን ኣሓን ምራኹትን ወሲዶም ኣብ ምድሪ ሓረዱ፡ እቲ ህዝቢ ድማ ምስ ደሙ በልዖ። 33ሽዑ፡ እቲ ህዝቢ ምስ ደሙ ብምብላዑ፡ እንሆ፡ ንእግዚኣብሄር ይብድሎ ኣሎ፡ ኢሎም ንሳኦል ነገርዎ። ንሱ ኸኣ፡ ከዲዕኩም በደልኩም፡ ሕጂ ዓብዪ እምኒ ኣንካራሪኹም ኣምጽኡለይ፡ በለ። 34ሳኦል ድማ፡ ኣብቲ ህዝቢ ፋሕ ኢልኩም፡ ነፍሲ ወከፍ ብዕራዩን በጊዑን ናባይ የምጽእ፡ ኣብዚ ኸኣ ሓሪድኩም ብልዑ፡ ምስ ደሙ ብምብላዕኩም ከኣ ንእግዚኣብሄር ኣይትበድሉ በልዎም፡ በለ። ኵሉ እቲ ህዝቢ ድማ በታ ለይቲ እቲኣ ነፍሲ ወከፍ ብዕራዩ ብኢዱ ኣምጽኣ፡ ኣብኡ ኸኣ ሓረድዎም። 35ሳኦል ድማ ንእግዚኣብሄር መሰውኢ ሰርሐ፡ እቲ ንእግዚኣብሄር ዝሰርሓሉ ቐዳማይ መሰውኢ ንሱ እዩ።
36ሳኦል ከኣ፡ ብለይቲ ደድሕሪ ፍልስጥኤማውያን ንውረድ፡ ክሳዕ ዝወግሕ ንዝመቶም፡ ሓደ ሰብ እኳ ኣይነትርፈሎም፡ በሉ። ንሳቶም ድማ፡ ጽቡቕ ኰይኑ እተራእየካ ዅሉ ግበር፡ በሉ። እቲ ኻህን ግና፡ ናብዚ ናብ ኣምላኽ ንቕረብ፡ በለ። 37ሽዑ ሳኦል፡ ደድሕሪ ፍልስጥኤማውያንዶ ኽወርድ፡ ኣብ ኢድ እስራኤልዶኸ ኣሕሊፍካ ኽትህቦም ኢኻ፡ ኢሉ ንኣምላኽ ሓተቶ። በታ መዓልቲ እቲኣ ግና ኣይመለሰሉን። 38ሳኦል ከኣ፡ ኣቱም ሓላቑ ህዝቢ ኵልኹም ናብዚ ቕረቡ፡ እዚ ናይ ሎሚ ሓጢኣት ብምንታይ ከም ዝዀነ ድማ ፍለጡን ርኣዩን። 39እቲ በደል ብወደይ ዮናታን እኳ እንተ ዀነ እተገብረ፡ እቲ ንእስራኤል ዘድሕን እግዚኣብሄር ህያው ከም ዝዀነ፡ ርግጽ ክመውት እዩ፡ በለ። ግናኸ ካብ ኵሉ እቲ ህዝቢ ሓደ እኳ ኣይመለሰሉን። 40ሽዑ ንሱ ብዘለዉ እስራኤል፡ ንስኻትኩም ብሓደ ወገን ኩኑ፡ ኣነን ወደይ ዮናታንን ድማ ብሓደ ወገን ክንከውን ኢና፡ በሎም። እቶም ህዝቢ ኸኣ ንሳኦል፡ እቲ ጽቡቕ ኰይኑ እተራእየካ ግበር፡ በልዎ። 41ሳኦል ድማ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፡ ነቲ ሓቂ ግለጾ፡ በሎ። ሽዑ ዮናታንን ሳኦልን ብዕጭ ተወስዱ፡ እቶም ህዝቢ ኸኣ ሓራ ወጹ። 42ሳኦል ድማ፡ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎ ወደይ ዮናታንን ዕጭ ኣውድቑ፡ በለ። ዮናታን ከኣ ተወስደ። 43ሳኦል ድማ ንዮናታን፡ እቲ ዝገበርካዮ ንገረኒ፡ በሎ። ሽዑ ዮናታን፡ ምጥዓምሲ ብጫፍ እታ ኣብ ኢደይ ዝነበረት በትሪ ሒደት መዓር ጥዒመ ነይረ፡ እኔኹ እሙት፡ ኢሉ ነገሮ። 44ሳኦል ድማ፡ ዎ ዮናታን፡ ኣምላኽ ከምዚ ይግበረኒ፡ ከምዚውን ይወስኸኒ፡ ሞት ክትመውት ኢኻ፡ በለ። 45እቶም ህዝቢ ግና ንሳኦል፡ ዮናታን ሎሚ መዓልቲ ምስ ኣምላኽ ዓይዩ እዩ እሞ፡ እዚ ዓብዪ ምድሓን እዚ ኣብ እስራኤል ዝገበረዶ ኽመውት እዩ፡ ያእ የርሕቆ። ህያው እግዚኣብሄር እዩ፡ ካብ ጸጕሪ ርእሱ ሓንቲ እኳ ኣብ ምድሪ ኣይትወድቕን፡ በልዎ፡ እቶም ህዝቢ ኸኣ ንዮናታን ከይመውት ኣድሓንዎ። 46ሳኦል ድማ ንፍልስጥኤምውያን ካብ ምስዓብ ተመልሰ። ፍልስጥኤማውያን ናብ ቦታኦም ከዱ።
47ሳኦል ኣብ ልዕሊ እስራኤል መንግስቲ ምስ ሓዘ ድማ፡ ምስቶም ኣብ ዙርያኡ ዘለዉ ዅሎም ጸላእቱ፡ ምስ ሞኣብን ምስ ደቂ ዓሞንን ምስ ኤዶምን ምስ ነገስታት ጾባን ምስ ፍልስጥኤማውያንን ተዋግኣ፡ ገጹ ኣብ ዝመለሰሉ ዘበለ ኸኣ ሰዓረ። 48በርቲዑ ድማ ንኣማሌቃውያን ሰዓሮም፡ ንእስራኤልውን ካብ ኢድ እቶም ዘመትቱ ኣድሓኖ።
49ደቂ ሳኦል ድማ ዮናታንን ይስዊን ማልክሹዓን ነበሩ። ስም እተን ክልተ ኣዋልዱ ኸኣ፡ ስም እታ በዅሪ ሜራብ፡ ስም እታ ንእሽቶ ድማ ሚካል እዩ። 50ስም ሰበይቲ ሳኦል ከኣ ኣሒኖኣም እዩ፡ ንሳ ጓል ኣሒማዓጽ እያ። ስም ሓለቓ ሰራዊቱ ኸኣ ኣብኔር እዩ፡ ንሱ ወዲ ኔር ሓወቦ ሳኦል ነበረ። 51ቂስ ኣቦ ሳኦልን፡ ኔር ኣቦ ኣብኔርን ድማ ደቂ ኣቢኤል እዮም።
52ብዅሉ ዘበን ሳኦል ከኣ ምስ ፍልስጥኤማውያን ብርቱዕ ውግእ ነበረ። ሳኦል ድማ ጅግና ሰብ ወይ ተዋጋኢ ሰብ እንተ ረኣየ፡ ምስኡ ይወስዶ ነበረ።

         1ይ ሳሙኤል  ምዕራፍ 15            

   1ሳሙኤል ድማ ንሳኦል፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ እስራኤል ንጉስ ክትከውን፡ ክቐብኣካ እግዚኣብሄር ንኣይ ለኣኸኒ። ሕጂ ኸኣ ነቲ ደሃይ ቃል እግዚኣብሄር ስማዕ። 2እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ንእስራኤል፡ ካብ ግብጺ ኽድይብ ከሎ፡ እቲ ኣማሌቅ ኣብ መገዲ ጸኒሑ ዝገበሮ ዘክረዮ ኣሎኹ። 3ሕጂ ኺድ እሞ ንኣማሌቅ ተዋግኣዮ፡ ዘለዎ ዘበለ ዅሉ ድማ ፈጺምካ ኣጥፍኣዮ፡ ኣይትንሓፎ፡ ግናኸ ካብ ሰብኣይ ክሳዕ ሰበይቲ፡ ካብ ቈልዓ ኽሳዕ ሕጻን፡ ካብ ብዕራይ ክሳዕ በጊዕ፡ ካብ ገመል ክሳዕ ኣድጊ ቕተል።
4ሽዑ ሳኦል ነቶም ህዝቢ ኣኽቲቱ ኣብ ጥላኢም ቈጸሮም፡ ክልተ ሚእቲ ሽሕ ኣጋር፡ ሰብ ይሁዳ ኸኣ ዓሰርተ ሽሕ ኰኑ። 5ሳኦል ድማ ናብ ከተማ ኣማሌቅ መጸ፡ ኣብ ለሰ ኸኣ ድብቕ ገበረ። 6ሳኦል ድማ ንቄናውያን፡ ንስኻ ንዅሎም ደቂ እስራኤል ካብ ግብጺ ኽድይቡ ኸለዉ፡ ምሕረት ጌርካሎም ኢኻ እሞ፡ ምሳታቶም ከየጥፍኣኩምሲ ኺዱ፡ ካብ ማእከል ኣማሌቃውያን ተፈሊኹም ውረዱ፡ በሎም። ቄናውያን ከኣ ካብ ማእከል ኣማሌቃውያን ኣግለሱ። 7ሳኦል ድማ ንኣማሌቃውያን ካብ ሓዊላ ኽሳዕ እታ ኣብ መንጽር ግብጺ ዘላ ሹር ሰዓሮም። 8ንኣጋግ ንጉስ ኣማሌቃውያን ከኣ ብህይወቱ ሓዞ፡ ንብዘሎ እቲ ህዝቢውን ብስሕለት ሴፍ ፈጺሙ ኣጥፍኦ። 9ሳኦልን እቲ ህዝብን ግና ንኣጋግን ነተን ዝበለጻ ኣባጊዕን ኣሓን ክልተ ወለድ ዘበላ እንስሳን ገነሽልን ጽቡቕ ዘበለ ዅሉን ከጥፍእዎ ኣይፈተዉን እሞ፡ ነሓፍዎ፡ እቲ ንዑቕን ዘይጠቅምን እንስሳ ግና ፈጺሞም ኣጥፍእዎ።
10-11ሽዑ፡ ሳኦል ካብ ምስዓበይ ተመሊሱ ዘረባይ ስለ ዘይፈጸመ፡ ንእኡ ብምንጋሰይ እጠዓስ ኣሎኹ፡ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ሳሙኤል መጸ። እዚ ንሳሙኤል ኣጕሃዮ እሞ፡ ለይቲ ብምልእታ ናብ እግዚኣብሄር ተማህለለ። 12ሳሙኤል ድማ ንሳኦል ንግሆ ኽራኸቦ ኢሉ፡ ኣንጊሁ ተንስአ። ሽዑ ኸኣ ንሳሙኤል፡ ሳኦል ናብ ቀርሜሎስ መጺኡ ኣሎ፡ እንሆ ድማ፡ ንእኡ ዝኸውን ሓወልቲ ኣቑሙ፡ ዞይሩ ድማ ተሳጊሩ፡ ናብ ጊልጋል ከኣ ወሪዱ ኣሎ፡ ኢሎም ነገርዎ። 13ሳሙኤል ድማ ናብ ሳኦል መጸ። ሳኦል ከኣ፡ ንስኻ ብእግዚኣብሄር ብሩኽ ኩን፡ ኣነ ቃል እግዚኣብሄር ፈጺመ እየ፡ በሎ። 14ሳሙኤል ግና፡ እዚ ኣባጊዕ ቤዕ ክብላን ኣሓ እምባሕ ክብላን ናቋኤን ብእዝነይ ዝሰምዖ ዘሎኹ ደኣ እንታይ እዩ፧ በለ። 15ሳኦል ድማ፡ እቶም ህዝቢ ኻብ ኣማሌቃውያን ዘምጽእወን፡ ካብተን ኣባጊዕን ኣሓን ዝጸበቓ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምእንቲ ኽስውእወን ኢሎም ዝነሓፍወን እየን፡ ነተን ዝተረፋ ግና ፈጺምና ኣጥፊእናየን ኢና፡ በለ።
16ሽዑ ሳሙኤል ንሳኦል፡ እግዚኣብሄር ሎሚ ለይቲ እተዛረበኒ ኽነግረካስ ጽናሕ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ተዛረብ፡ በሎ። 17ሳሙኤል ድማ፡ ንስኻ ኣብ ዓይንኻ ንእሽቶ ኸሎኻ፡ ንስኻ ሓለቓ ነገዳት እስራኤልዶ ኣይኰንካን፡ እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንጉስ ክትከውን ቀብኣካ። 18እግዚኣብሄር ከኣ፡ ኪድ፡ ነቶም ሓጥኣን፡ ንኣማሌቃውያን፡ ፈጺምካ ኣጥፍኣዮም፡ ክሳዕ ዝውድኡ ድማ ተዋግኣዮም፡ ኢሉ ንመገዲ ሰደደካ። 19ስለምንታይ ኢኻ ደሃይ እግዚኣብሄር ዘይሰማዕካ፧ ስለምንታይከ ናብቲ እተዘምተ ተወርዊርካ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ዝገበርካ፧ በለ። 20ሳኦል ድማ ንሳሙኤል፡ ደሃይ እግዚኣብሄር ሰሚዐስ በታ እግዚኣብሄር ዝለኣኸኒ መገዲ ኸይደ፡ ንኣጋግ ንጉስ ኣማሌቅ ኣምጺአዮ ኣሎኹ፡ ንኣማሌቃውያንውን ፈጺመ ኣጥፊኣዮም። 21ግናኸ እቲ ህዝቢ ኻብተን እተዘምታ ኣባጊዕን ኣሓን ካብቲ ሕሩም ዘዝጸበቐ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣብ ጊልጋል ክስውኣሉ ኢሉ ወሰደን፡ በሎ። 22ሳሙኤል ከኣ፡ ንእግዚኣብሄርሲ ዝሓርር መስዋእትን መስዋእቲ ሕሩድን ከም ምስማዕ ደሃይ እግዚኣብሄር ገይሩዶ የሓጕሶ እዩ፧ እንሆ፡ ምስማዕ ካብ መስዋእቲ፡ ጽን ምባል ድማ ካብ ስብሒ ደዓውል ይበልጽ። 23ዕልወትሲ ሓጢኣት ጥንቍልና እዩ፡ ህልኽ ከኣ ምምላኽ ጣኦትን ትራፊምን እዩ። ንቓል እግዚኣብሄር ስለ ዝነዓቕካዮ፡ ንሱ ኸኣ ከይትነግስ ነዓቐካ፡ በለ። 24ሳኦል ድማ ንሳሙኤል፡ ነቶም ህዝቢ ፈሪሄ ቃሎም ስለ እተኣዘዝኩ፡ ንትእዛዝ እግዚኣብሄርን ንዘረባኻን ሓሊፈ እየ እሞ፡ ሓጣእኩ። 25ሕጂ ድማ በጃኻ ሓጢኣተይ ይቕረ በለለይ፡ ንእግዚኣብሄር ክሰግድ ከኣ ምሳይ ተመለስ፡ በሎ። 26ሳሙኤል ንሳኦል፡ ቃል እግዚኣብሄር ስለ ዝነዓቕካ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ኣብ እስራኤል ከይትነግስ ንዒቑካ እዩ እሞ፡ ምሳኻ ኣይምለስን እየ፡ በሎ። 27ሳሙኤል ክኸይድ ገጹ ምስ መለሰ፡ ንሱ ኸኣ ጫፍ ክዳኑ ኣጽኑዑ ሓዘ እሞ፡ ተቐደ። 28ሳሙኤል ድማ፡ እግዚኣብሄር ሎሚ መንግስቲ እስራኤል ካባኻ ቐዲዱ፡ ካባኻ ንዝሓይሽ ብጻይካ ሃቦ። 29እቲ ጽንዓት እስራኤልሲ ከይጥዓስ ሰብ ኣይኰነን እሞ፡ ኣይሕሱን ኣይጥዓስን ከኣ፡ በሎ። 30ንሱ ድማ፡ ሓጣእኩ፡ ሕጂ በጃኻ ኣብ ቅድሚ ዓበይቲ ህዝበይን ኣብ ቅድሚ እስራኤልን ኣኽብረኒ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኽሰግድሲ ምሳይ ተመለስ፡ በሎ። 31ሽዑ ሳሙኤል ደድሕሪ ሳኦል ተመለሰ፡ ሳኦል ከኣ ንእግዚኣብሄር ሰገደሉ።
32ሳሙኤል ድማ፡ ንኣጋግ ንጉስ ኣማሌቅ ኣምጽኡለይ፡ በለ። ኣጋግ ከኣ ተሓጒሱ ናብኡ መጸ። ኣጋግ ድማ፡ ምሪ ሞትሲ ርግጽ ሓሊፉ እዩ፡ በለ። 33ሳሙኤል ከኣ፡ ሴፍካ ነንስቲ ውሉድ ዘይብለን ከም ዝገበረተን፡ ከምኡ ኸኣ ኣዴኻ ኣብ መንጎ ኣንስቲ ውሉድ ዘይብላ ትኹን፡ በለ። ሳሙኤል ድማ ንኣጋግ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ጊልጋል ቈራረጾ።
34ሳሙኤል ከኣ ናብ ራማ ኸደ፡ ሳኦልውን ናብ ቤቱ ናብ ጊብዓ ናይ ሳኦል ደየበ። 35ሳሙኤል ብዛዕባ ሳኦል ይጕሂ ነበረ እሞ፡ ሳሙኤል ክሳዕ መዓልቲ ሞቱ መሊሱ ንሳኦል ክርኢ ኢሉ ኣይከደን። እግዚኣብሄር ድማ ንሳኦል ኣብ ልዕሊ እስራኤል ስለ ዘንገሶ ተጣዕሰ።

  1ይ ሳሙኤል  ምዕራፍ 16            

   1እግዚኣብሄር ድማ ንሳሙኤል፡ ኣነ ንሳኦል ኣብ ልዕሊ እስራኤል ከይነግስ ንዒቐዮ ኸሎኹስ፡ ንስኻ ኽሳዕ መኣዝከ ኢኻ ንሳኦል እተጉህየሉ፧ ናብ እሴይ ብዓል ቤት-ልሄም ክልእከካ፡ ኣብ መንጎ ደቁ ንጉስ ዝዀነኒ ርእየ ኣሎኹ እሞ፡ ቀርንኻ ዘይቲ መሊእካስ ኪድ፡ በሎ። 2ሳሙኤል ከኣ፡ ሳኦል እንተ ሰምዐ፡ ክቐትለኒ እዩ፡ ከመይ ኢለ ክኸይድ፡ በለ። እግዚኣብሄር ድማ፡ ኣርሒ ተማላእ እሞ፡ ንእግዚኣብሄር ክስውኣ ኢለ መጻእኩ፡ በል። 3ንእሴይ ከኣ ናብቲ መስዋእቲ ጸውዓዮ፡ እቲ እትገብሮ ድማ ኣነ ኽነግረካ እየ፡ ነቲ ዝብለካ ኸኣ ቅብኣለይ፡ በለ። 4ሳሙኤል ድማ እቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ገበረ፡ ናብ ቤት-ልሄም ከኣ መጸ። እቶም ዓበይቲ እታ ኸተማ ድማ ራዕራዕ እናበሉ ተቐባበልዎ፡ ብሰላምዶ መጺእካ፧ ከኣ በሉ። 5ንሱ ድማ፡ ብሰላም እየ፡ ንእግዚኣብሄር ክስውእ ደኣ መጺአ፡ ተቐደሱ፡ ምሳይውን ናብቲ መስዋእቲ ምጹ፡ በለ። ሽዑ ንእሴይን ንደቁን ቀደሶም፡ ናብቲ መስዋኣቲ ድማ ጸውዖም።
6ኰነ ኸኣ፡ ምስ መጹ፡ ንኤልያብ ርእዩስ፡ እቲ ቅቡእ እግዚኣብሄር ብርግጽ ኣብ ቅድሚኡ ኣሎ፡ በለ። 7እግዚኣብሄር ግና ንሳሙኤል፡ ኣነ ንዒቐዮ እየ እሞ፡ ኣብ ትርኢቱን ኣብ ምንዋሕ ቁመቱን ኣይትጠምት። እግዚኣብሄርሲ ሰብ ከም ዝርእዮ ኣይርእን፡ ሰብ ነቲ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ዘሎ እዩ ዝርኢ፡ እግዚኣብሄር ግና ልቢ እዩ ዝርኢ፡ በሎ። 8ሽዑ እሴይ ንኣቢናዳብ ጸዊዑ ናብ ቅድሚ ሳሙኤል ኣሕለፎ። ንሱ ግና፡ ነዝውን እግዚኣብሄር ኣይሓረዮን፡ በለ። 9እሴይ ንሳማ ኸኣ ኣሕለፎ። ንሱ ግና፡ ነዝውን እግዚኣብሄር ኣይሓረዮን፡ በለ። 10እሴይ ድማ ንሾብዓተ ደቁ ናብ ቅድሚ ሳሙኤል ኣሕለፎም። ሳሙኤል ከኣ ንእሴይ፡ እግዚኣብሄር ነዚኣቶም ኣይሓረዮምን፡ በለ፡ 11ሳሙኤል ድማ ንእሴይ፡ እዚኣቶም ድዮም ኩሎም እቶም ደቂ፧ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ገና እቲ ንእሽቶ ተሪፉ ኣሎ፡ እንሆ ድማ፡ ኣባጊዕ ይሕሉ ኣሎ፡ በለ። ሳሙኤል ከኣ ንእሴይ፡ ንሱ ኽሳዕ ዝመጽእ ኣብ መኣዲ ኾፍ ኣይንብልን ኢና እሞ፡ ልኢኽካ ኣምጽኣዮ፡ በሎ። 12ልኢኹ ድማ ኣምጽኦ፡ ንሱ ኸኣ ቀይሕ፡ ጽቡቕ ኣዒንቲ፡ ትርኢቱውን ጽቡቕ ነበረ። እግዚኣብሄር ከኣ፡ ንሱ እዩ እሞ፡ ተንሲእካ ቕብኣዮ፡ በለ። 13ሽዑ ሳሙኤል ናይ ዘይቲ ቐርኒ ወሲዱ ኣብ ማእከል ኣሕዋቱ ቐብኦ። ካብታ መዓልቲ እቲኣ ንነጀው ድማ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ዳዊት መጸ። ሳሙኤል ከኣ ተንሲኡ ናብ ራማ ኸደ።
14መንፈስ እግዚኣብሄር ድማ ካብ ሳኦል ረሓቐ፡ ካብ እግዚኣብሄር ከኣ ክፉእ መንፈስ ይሳቕዮ ነበረ። 15እቶም ገላውኡ ድማ ንሳኦል፡ እንሆ፡ ካብ ኣምላኽ ዝመጸ ኽፉእ መንፈስ ደኣ ይሳቕየካ ኣሎ። 16እምበኣርሲ ሕጂ ጐይታና ነቶም ኣብ ቅድሜኻ ዘለዉ ገላዉኻ ምውቃዕ በገና ዝፈልጥ ሰብ ክደልዩ ይኣዝዝ። ክኸውን ከኣ እዩ፡ እቲ ኻብ ኣምላኽ ዝመጸ ኽፉእ መንፈስ ኣባኻ ኸሎ፡ ንሱ ብኢዱ ኽወቅዕ እዩ እሞ፡ ክሕሸካ እዩ፡ በልዎ። 17ሳኦል ድማ ንገላውኡ፡ እምበኣር ጽቡቕ ዝወቅዕ ሰብ ርኣዩለይ እሞ ናባይ ኣምጽኡለይ፡ በሎም። 18ሽዑ ሓደ ኻብቶም ኣጕባዝ፡ እንሆ፡ ወዲ እሴይ ብዓል ቤት-ልሄም፡ ፈላጥ ወቓዒ ርእየ ኣሎኹ። ንሱ ብርቱዕ ጅግና፡ ተዋጋኢ ሰብኣይ፡ መስተውዓል ዘረባ፡ መልክዐኛ ሰብኣይ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ምስኡ እዩ፡ ኢሉ መለሰ። 19ሽዑ ሳኦል ንእሴይ፡ እቲ ምስ ኣባጊዕ ዘሎ ወድኻ ዳዊት ስደደለይ፡ ኢሉ ልኡኻት ሰደደሉ። 20እሴይ ድማ እንጌራን ሓርቢ ወይንን እተጻዕነት ኣድግን ሓደ ወጠጦን ወሲዱ፡ ብኢድ ወዱ ዳዊት ገይሩ ናብ ሳኦል ሰደዶ። 21ዳዊት ድማ ናብ ሳኦል መጸ እሞ ኣብ ቅድሚኡ ደው በለ፡ ኣዝዩ ኸኣ ፈተዎ፡ ጋሻ ዛግሬኡውን ኰነ። 22ሳኦል ድማ ንእሴይ፡ ዳዊት ኣብ ዓይነይ ሞገስ ረኺቡ ኣሎ እሞ፡ በጃኻ ኣብ ቅድመይ ይቑም፡ ኢሉ ለኣኸሉ። 23ኰነ ኸኣ፡ ንሳኦል እቲ ኽፉእ መንፈስ ካብ ኣምላኽ ምስ መጾ፡ ዳዊት በገና ወሲዱ ብኢዱ ይወቅዕ ነበረ። ሽዑ ንሳኦል ይፈዅሶን ይሕሾን ነበረ፡ እቲ ኽፉእ መንፈስውን የግልሰሉ ነበረ።

  1ይ ሳሙኤል  ምዕራፍ 17 

   1ፍልስጥኤማውያን ድማ ክዋግኡ ሰራዊቶም ኣኽቲቶም ኣብ ሶኮ ናይ ይሁዳ ተኣከቡ፡ ኣብ ኤፈስ-ዳሚም ኣብ መንጎ ሶኮን ኣዜቃን ሰፈሩ። 2ሳኦልን ሰብ እስራኤልን ድማ ከቲቶም ኣብ ለሰ ኤላህ ሰፈሩ፡ ምስ ፍልስጥኤማውያን ክዋግኡ ድማ ተሰለፉ። 3ፍልስጥኤማውያን ነቲ ኸረን ብሓደ ወገኑ ቘሙ፡ እስራኤል ከኣ ነቲ ኸረን፡ ብሓደ ወገኑ ቘሙ፡ ኣብ መንጎኦም ድማ ለሰ ነበረ። 4ካብ ሰፈር ፍልስጥኤማውያን ከኣ ጐልያድ ዝስሙ በዓል ጋት፡ ሹድሽተ እመትን ስድርን ዝቑመቱ፡ ተቓላሲ ሰብኣይ ወጸ። 5ቁራዕ ርእሲ ኣስራዚ ድማ ነበሮ፡ ከም ቅራፍ ዓሳ ዝበለ ድርዒውን ተኸዲኑ ነበረ። ሚዛን እቲ ድርዒ ኸኣ ሓሙሽተ ሽሕ ሲቃል ኣስራዚ እዩ። 6ኣብ ሰለፋቱ ድማ ስረ ኣስራዚ፡ ኣብ መንጎ መናኵቡ ኸኣ መዝረቕ ኣስራዚ ነበሮ። 7ዛብያ ሕላሱውን ክንዲ ወንደረሽ ኣላማይ ነበረ፡ እቲ ብልሒ ሕላሱ ኸኣ ሹድሽተ ሚእቲ ሲቃል ሓጺን ይምዘን ነበረ፡ እቲ ጸዋር ዋልታኡ ድማ ቀቅድሚኡ ይኸይድ ነበረ። 8ተንሲኡ ከኣ ስሉፋት እስራኤል፡ ስለምንታይ ኢኹም ንውግእ ክትስለፉ ዝወጻእኩም፧ ኣነ ፍልስጥኤማዊዶ ኣይኰንኩን፡ ንስኻትኩም ከኣ ገላዉ ሳኦል፧ ካባኻትኩም ሓደ ሰብኣይ ሕረዩ እሞ፡ ናባይ ይውረድ። 9ንሱ ምሳይ ተዋጊኡ ክቐትለኒ እንተ ኸኣለ፡ ንሕና ባሮትኩም ክንከውን፡ ኣነ ኣሰኒፈ እንተ ቐተልክዎ ግና፡ ንስኻትኩም ባሮትና ዄንኩም ክትግዝኡና፡ ኢሉ ጨደረሎም። 10እቲ ፍልስጥኤማዊ ወሲኹ ኸኣ፡ ኣነ ሎሚ መዓልቲ ነቶም ስሉፋት እስራኤል ኣባጭየዮም ኣሎኹ እሞ፡ ንሓድሕድና ኽንዋጋእሲ፡ ሓደ ሰብኣይ ሃቡኒ፡ በለ። 11ሳኦልን ብዘሎ እስራኤልን እዚ ዘረባ እቲ ፍልስጥኤማዊ ምስ ሰምዑ፡ ኣዝዮም ፈርሁን ተሸበሩን።
12ዳዊት ከኣ ወዲ እቲ እሴይ ዝስሙ ኤፍራታዊ ሰብኣይ ብዓል ቤት-ልሄም ናይ ይሁዳ ነበረ። እቲ ሰብኣይ እቲ ሾሞንተ ኣወዳት ነበርዎ፡ ንሱ ብዘበን ሳኦል ኣብ መንጎ ሰባት ዕድሜኡ ዝሓለፈ ኣረጊት ነበረ። 13እቶም ሰለስተ ዓበይቲ ደቂ እሴይ ደድሕሪ ሳኦል ናብቲ ውግእ ከይዶም ነበሩ። ስም እቶም ናብ ውግእ ዝኸዱ ሰለስቲኦም ደቁ ኸኣ፡ እቲ በዅሪ ኤልያብ፡ እቲ ኻልኣዩ ኣቢናዳብ፡ እቲ ሳልሳይ ድማ ሳማ ይብሃሉ ነበሩ። 14ዳዊት ከኣ ንሱ እቲ ንእሽቶኦም ነበረ። እቶም ሰለስተ ዓበይቲ ድማ ደድሕሪ ሳኦል ከዱ። 15ዳዊት ከኣ ካብ ሳኦል ከይዱ ኣባጊዕ ኣቦኡ ኣብ ቤት-ልሄም ክሕሉ ይመላለስ ነበረ። 16እቲ ፍልስጥኤማዊ ድማ ኣርብዓ መዓልቲ ብጊሓትን ምሸትን ቀሪቡ ኣብ ቅድሚኦም ይቐውም ነበረ። 17እሴይ ከኣ ንወዱ ዳዊት፡ ሓደ ኤፋ ኻብዚ ቘሎ እዚ፡ እዚ ዓሰርተ እንግራ እዚ ድማ ሒዝካ ቐልጢፍካ ናብ ኣሕዋትካ ናብቲ ሰፈር ኪድ። 18እዘን ዓሰርተ ጐጎ ኣጂቦ እዚኤን ከኣ ነቲ ሓለቓ ሽሕ ውሰደሉ። ኣሕዋትካ ደሓን እንተለዉ ርኢኻስ፡ ካባታቶም ድማ መፈለጥታ ኣምጽኣለይ፡ በሎ። 19ሳኦልን ንሳቶምን ኵሎም ሰብ እስራኤልን ከኣ ኣብ ለሰ ኤላህ ምስ ፍልስጥኤማውያን ይዋግኡ ነበሩ። 20ንጽብሒቱ ድማ ዳዊት ኣንጊሁ ተንስአ፡ ነተን ኣባጊዕ ኣብ ሓላዊ ሓዲጉ፡ ከምቲ እሴይ ዝኣዘዞ፡ ነቲ ጾሩ ኣልዒሉ ኸደ። እቲ ኽስለፍ ዝወጸ ሰራዊት ንውግእ ክጭድር ከሎ ድማ፡ ንሱ ናብ ሰፈር ሰረገላታት መጸ። 21እስራኤልን ፍልስጥኤማውያንን ከኣ ጭፍራ ንጭፍራ ኽጋጠሙ ተሳላለፉ። 22ዳዊት ድማ ነቲ ምስኡ ዝነበረ ኣቓሑ ኣብ ኢድ ሓላው ኣቓሑ ሓዲጉ ናብቲ ሰልፊ ጐየየ፡ መጺኡ ኸኣ ነሕዋቱ ደሓን ምህላዎም ሓተቶም። 23ንሱ ምሳታቶም ክዛረብ ከሎ ድማ፡ እንሆ፡ እቲ ጐልያድ ዝስሙ ፍልስጥኤማዊ በዓል ጋት፡ ተቓላሲ ሰብኣይ ካብቶም ስሉፋት ፍልስጥኤምውያን ተንሲኡ፡ ከምቲ ዘረባ ቐደሙ ገይሩ ተዛረበ፡ ዳዊትውን ሰምዖ። 24ኵሎም ሰብ እስራኤል ከኣ ነቲ ሰብኣይ ምስ ረኣይዎ ኻብ ቕድሚኡ ሃደሙ፡ ኣዝዮምውን ፈርሁ። 25እቶም ሰብ እስራኤል ድማ፡ ነዚ ተንሲኡ ዘሎ ሰብኣይ እዚ ትርእይዎዶ፧ ኣሎኹም ንእስራኤል ከባጩ እዩ ተንሲኡ ዘሎ። ክኸውን ድማ እዩ፡ ነዚ ዝቐትል ሰብኣይ ንጉስ ከጸግዎ፡ ጓሉ ኸኣ ክህቦ፡ ንቤት ኣቦኡውን ኣብ እስራኤል ናጻ ኽገብሮ እዩ፡ በለ። 26ዳዊት ድማ ነቶም ምስኡ ደው ኢሎም ዘለዉ ሰባት፡ እዚ ንሰራዊት ህያው ኣምላኽ ዘባጩ ዘሎ ዘይግዙር ፍልስጥኤማዊ እዚ መን ኰን እዩ፧ ነዚ ፍልስጥኤማዊ እዚ ቐቲሉስ ካብ እስራኤል ውርደት ዘርሓቐ ሰብኣይከ እንታይ ይግበሮ፧ ኢሉ ተዛረቦም። 27እቲ ህዝቢ ኸኣ፡ ነቲ ዝቐትሎ ሰብኣይ ከምዚ ይግበሮ፡ ኢሎም ከምተን ቃላት ገይሮም መለሱሉ። 28ኤልያብ፡ እቲ ዓብዪ ሓዉ ድማ ምስቶም ሰባት ክዛረብ ከሎ ሰሚዕዎ፡ ኵራ ኤልያብ ኣብ ዳዊት ነዲዱ፡ እንታይ ክትገብር ናብዚ ወረድካ፧ እተን ሒደት ኣባጊዕከ ኣብ በረኻ ንመን ገደፍካየን፧ ውግእ ምእንቲ ኽትርኢ ኢኻ ወሪድካ ዘሎኻ እሞ፡ ትዕቢትካን ክፍኣት ልብኻን ኣነ ፈሊጠዮ ኣሎኹ፡ በሎ። 29ዳዊት ድማ፡ እሞ ሕጂኸ እንታይ ገይረ እየ፧ ቃልዶ ኣይኰነን ንሱ፧ በለ። 30ካብኡ ናብ ካልእ ግልጽ ኢሉ ኸኣ ከም ቀደሙ ተዛረበ። እቶም ህዝቢውን ከምቲ ቐዳማይ ዘረባ መለሱሉ።
31እቲ ዳዊት እተዛረቦ ዘረባ ምስ ተሰምዐ ኸኣ፡ ንሳኦል ነገርዎ፡ ንሱ ድማ ናብኡ ኣምጽኦ። 32ዳዊት ከኣ ንሳኦል፡ ብዛዕባ እዝስ ልቢ ሓደ ሰብ እኳ ኣይሸበር፡ ጊልያኻ ኸይዱ ምስ እዚ ፍልስጥኤማዊ እዚ ኽዋጋእ እዩ፡ በሎ። 33ሳኦል ድማ ንዳዊት፡ ንስኻ ቘልዓ ኢኻ፡ ንሱ ግና ካብ ንእስነቱ ጀሚሩ ተዋጋኢ ሰብኣይ እዩ እሞ፡ ምስ እዚ ፍልስጥኤማዊ እዚ ኽትዋጋእ ክትከይድ ኣይትኽእልን ኢኻ፡ በሎ። 34ዳዊት ከኣ ንሳኦል፡ ጊልያኻ ኣባጊዕ ኣቦኡ ይጓሲ ነበረ፡ ኣንበሳ ወይ ድቢ ኻብቲ መጓሰ ሓንቲ በጊዕ ምስ ወሰደ ድማ፡ 35ኣነ ደድሕሪኡ ወጺአ እቐትሎ፡ ካብ ኣፉውን ኣግድፎ ነበርኩ። ምስ ተንስኣኒ ኸኣ፡ ብጭሕሙ ሒዘ ወቒዐ እቐትሎ ነበርኩ። 36ጊልያኻ ኣንበሳን ድብን ቀቲሉ እዩ፡ እዚ ዘይግዙር ፍልስጥኤማዊ እዚ ከኣ ንሰራዊት እቲ ህያው ኣምላኽ ጸሪፉ እዩ እሞ፡ ከም ሓደ ኻባታቶም ክኸውን እዩ፡ በሎ። 37ዳዊት ድማ፡ እቲ ኻብ ኢድ ኣንበሳን ካብ ኢድ ድብን ዘድሓነኒ እግዚኣብሄር፡ ንሱ ኻብ ኢድ እዚ ፍልስጥኤማዊ እዚ ኸድሕነኒ እዩ፡ በለ። ሳኦል ከኣ ንዳዊት፡ ክድ፡ እግዚኣብሄር ምሳኻ ይኹን፡ በሎ። 38ሳኦል ድማ ንዳዊት ክዳውንቱ ኸደኖ፡ ኣብ ርእሱ ኸኣ ቁራዕ ርእሲ ኣስራዚ ገበረሉ፡ ድርዒውን ከደኖ። 39ዳዊት ድማ ሴፉ ኣብ ልዕሊ ኽዳኑ ተዓጥቀ፡ ምኻድ ኣይፈተነን ነበረ እሞ፡ ክኸይድ ጀመረ። ዳዊት ከኣ ንሳኦል፡ ፈቲነዮ ኣይፈልጥን እየ እሞ፡ ምስ እዝስ ክኸይድ ኣይክእልን እየ፡ በሎ። ዳዊት ድማ ካብኡ ኣራገፎ። 40በትሩ ኣብ ኢዱ ሒዙ፡ ካብቲ ርባ ኸኣ ሓሙሽተ ልሙጻት ኣእማን ሓርዩ ናብቲ ኽጓሲ ኸሎ ምስኡ ዝነበረ ቑርባበሻን ማሕፉዳን ኣንበሮ። ወንጭፉውን ኣብ ኢዱ ሒዙ ናብቲ ፍልስጥኤማዊ ኣቢሉ ቐረበ። 41እቲ ፍልስጥኤማዊ ኸኣ እናሰጐመ ናብ ዳዊት ቀረበ። እቲ ዋልታኡ ዝጸውር ሰብኣይ ድማ ቀቅድሚኡ ይኸይድ ነበረ። 42እቲ ፍልስጥኤማዊ ኸኣ ንዳዊት ተኵሩ ምስ ረአዮ። ንሱ ቐይሕ መልክዓኛ ዀተት ነበረ እሞ፡ ነዓቖ። 43እቲ ፍልስጥኤማዊ ድማ ንዳዊት፡ ብበትሪ እትመጸንስ ኣነ ኸልቢዶ እየ፧ በሎ። እቲ ፍልስጥኤማዊ ኸኣ ንዳዊት ብኣማልኽቱ ረገሞ። 44እቲ ፍልስጥኤማዊ ድማ ንዳዊት፡ ንዓ ናባይ እሞ ስጋኻ ነዕዋፍ ሰማይን ንኣራዊት መሮርን ክህቦም እየ፡ በሎ። 45ዳዊት ከኣ ነቲ ፍልስጥኤማዊ በሎ፡ ንስኻ ብሴፍን ብዅናትን ብመዝረቕን ትመጸኒ ኣሎኻ፡ ኣነ ግና ብስም እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ እቲ ንስኻ እተባጭዎ ዘሎኻ ኣምላኽ ጭፍራ እስራኤል እመጸካ ኣሎኹ። 46ሎሚ መዓልቲ እግዚኣብሄር ንኣኻ ኣሕሊፉ ኣብ ኢደይ ክህበኒ እዩ፡ ኣነ ኸኣ ክቐትለካ፡ ርእስኻውን ካባኻ ኽወስድ እየ፡ ሬሳ ሰራዊት ፍልስጥኤማውያን ከኣ በዛ መዓልቲ እዚኣ ነዕዋፍ ሰማይን ንኣራዊት ምድርን ክህቦም እየ እሞ፡ ኣብ እስራኤል ኣምላኽ ከም ዘሎ፡ ኵላ ምድሪ ኽትፈልጥ እያ። 47እቲ ውግእሲ ናይ እግዚኣብሄር እዩ እሞ፡ እግዚኣብሄር ብሴፍን ብዅናትን ከም ዘይኰነ ዘድሕን፡ ብዘላ እዛ ማሕበር እዚኣ ምእንቲ ኽትፈልጥ፡ ንሱ ንኣኻትኩም ኣብ ኢድና ኽህበና እዩ።
48ኰነ ኸኣ፡ እቲ ፍልስጥኤማዊ ተንሲኡ ኸደ። ንዳዊት ክቃባበሎ ምስ ቀረበ፡ ዳዊት ነቲ ፍልስጥኤማዊ ኽቃባበሎ ናብቲ ሰልፊ ቐልጢፉ ጐየየ። 49ዳዊት ድማ ኢዱ ናብቲ ቑርባበሻ ኣእትዩ፡ ካብኡ ኸኣ እምኒ ወሲዱ ወንጨፎ፡ ነቲ ፍልስጥኤማዊ ድማ ግምባሩ ኣንሃሎ፡ እታ እምኒ ኸኣ ናብ ግምባሩ ኣተወት፡ ንሱ ድማ ብገጹ ናብ ምድሪ ወደቐ። 50በዚ ኸምዚ ዳዊት ነቲ ፍልስጥኤማዊ ብወንጭፍን ብእምንን ኣሰኒፉ፡ ነቲ ፍልስጥኤማዊ ወቒዑ ቐተሎ። ኣብ ኢድ ዳዊት ግና ሴፍ ኣይነበረን። 51ሽዑ ዳዊት ጐይዩ ኣብ ልዕሊ እቲ ፍልስጥኤማዊ ደው በለ፡ ነቲ ሴፉ ወሲዱ ድማ ካብ ሰገባኡ መሰቶ፡ ነቲ ፍልስጥኤማዊ ቐተሎ፡ ብእኡ ገይሩ ኸኣ ርእሱ ቘረጾ። ፍልስጥኤማውያን ድማ እቲ ጅግናኦም ከም ዝሞተ ምስ ረኣዩ፡ ሃደሙ። 52ሰብ እስራኤልን ይሁዳን ከኣ ተንሲኦም ኣውክዑ እሞ፡ ክሳዕ እታ ንጋት እትኣትወላ፡ ክሳዕ ደጌታት ዔቅሮን ሰጐጕዎም። እቶም ፍልስጥኤማውያን ድማ ኣብ መገዲ ሸዓራይም ክሳዕ ጋትን ክሳዕ ዔቅሮንን ተወጊኦም ወደቑ። 53ደቂ እስራኤል ከኣ ንፍልስጥኤማውያን ስዒቦም ካብ ምስጓጎም ተመሊሶም፡ ነቲ ሰፈሮም ዘመትዎ። 54ዳዊት ድማ ንርእሲ እቲ ፍልስጥኤማዊ ወሲዱ ናብ የሩሳሌም ኣምጽኦ። ኣጽዋሩ ግና ኣብ ድንኳኑ ኣንበሮ።
55ሳኦል ድማ ዳዊት ነቲ ፍልስጥኤማዊ ኽቃባበሎ ኽወጽእ ምስ ረኣዮ፡ ንኣብኔር ሓለቓ ሰራዊት፡ ኣታ ኣብኔር፡ እዚ መንእሰይ እዚ ወዲ መን እዩ፧ በሎ። ኣብኔር ከኣ፡ ዎ ንጉስ፡ ህያው ነፍስኻ ኢለ ዘይፈልጦ፡ በለ። 56እቲ ንጉስ ድማ፡ እምበኣርሲ እዚ መንእሰይ እዚ ወዲ መን ምዃኑ ንስኻ ሕተት፡ በለ። 57ዳዊት ነቲ ፍልስጥኤማዊ ቐቲሉ ምስ ተመልሰ፡ ኣብኔር ወሲዱ ናብ ቅድሚ ሳኦል ኣእተዎ፡ ርእሲ እቲ ፍልስጥኤማዊ ኸኣ ኣብ ኢዱ ነበረት። 58ሳኦል ድማ፡ ኣታ ወዲ፡ ወዲ መን ኢኻ፧ በሎ። ዳዊት ከኣ፡ ወዲ ጊልያኻ እሴይ ብዓል ቤት-ልሄም እየ፡ በለ።

  1ይ ሳሙኤል  ምዕራፍ 18            

   1ኰነ ድማ፡ ንሱ ምስ ሳኦል ዘረባኡ ምስ ወድአ፡ ነፍሲ ዮናታን ምስ ነፍሲ ዳዊት ተኣስረት፡ ዮናታን ከኣ ከም ነፍሱ ገይሩ ፈተዎ። 2ሳኦል ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ ወሰዶ፡ ናብ ቤት ኣቦኡውን ክምለስ ኣይፈቐደሉን። 3ዮናታን ድማ ንዳዊት ከም ነፍሱ ገይሩ ስለ ዝፈተዎ፡ ኪዳን ተኣታተዉ። 4ዮናታን ከኣ እቲ ተኸዲንዎ ዝነበረ ባርኖስ ኣውጺኡ ንዳዊት ሃቦ፡ ክዳውንቱ ድማ ክሳዕ ሴፉን ቀስቱን ክሳዕ ቅናቱን ሃቦ። 5ዳዊት ከኣ ሳኦል ኣብ ዝሰደዶ ዅሉ ብምስትውዓል ይወጽእ ነበረ። ሳኦል ድማ ኣብ ልዕሊ እቶም ሰብ ውግእ ሓለቓ ገበሮ። ኣብ ዓይኒ ዅሉ ህዝብን ኣብ ዓይኒ ገላዉ ሳኦልን ተፈትወ።
6ኰነ ድማ ምስ ኣተዉ፡ ዳዊት ነቲ ፍልስጥኤማዊ ቐቲሉ ምስ ተመልሰ፡ ካብ ኵለን ከተማታት እስራኤል ኣንስቲ ብኸበሮን ብእልልታን ብመሰንቆን እናደረፋን እናሳዕስዓን ንንጉስ ሳኦል ክቕበላ ወጻ። 7እተን ኣንስቲ ኸምዚ ኢለን እናደረፋ ተቓባበላ፡
ሳኦል ሽሑ፡
ዳዊት ግና እልፉ ቐተለ።
8ሳኦል ድማ ኣዝዩ ተቘጥዐ፡ እዚ ዘረባ እዚ ኸኣ ከፊኡ ተራእዮ እሞ በለ፡ ንዳዊት እልፊ ሃባኦ፡ ንኣይ ድማ ሽሕ ሃባኒ፡ ደጊም መንግስቲ ጥራይ እያ ተሪፋቶ ዘላ። 9ሳኦል ከኣ ካብታ መዓልቲ እቲኣ ንነጀው ንዳዊት ብኽፉእ ዓይኒ ጠመቶ።
10ንጽብሒቱ ድማ ዀነ፡ ካብ ኣምላኽ ክፉእ መንፈስ ኣብ ልዕሊ ሳኦል መጸ፡ ኣብ ማእከል ቤት ከኣ ተነበየ፡ ዳዊት ድማ ከም ኵሉ መዓልቲ ብኢዱ በገና ይወቅዕ ነበረ። ኣብ ኢድ ሳኦል ከኣ ኵናት ነበረ። 11ሳኦል ድማ፡ ንዳዊት ምስ መንደቕ ኣላጊበ ክቐትሎ እየ፡ ኢሉ ዅናት ወርወረ። ዳዊት ከኣ ክልተ ሳዕ ካብ ቅድሚኡ ኣግለሰ። 12እግዚኣብሄር ካብ ሳኦል ኣግለሲሱ ምስ ዳዊት ስለ ዝነበረ ድማ፡ ሳኦል ንዳዊት ፈርሆ። 13ስለዚ ሳኦል ካብኡ ኣርሒቑ ሓለቓ ሽሕ ገበሮ። ኣብ ቅድሚ እቲ ህዝቢ ኸኣ ይወጽእን ይኣቱን ነበረ። 14ዳዊት ድማ ኣብ ኵሉ መገዱ ኣስተውዓሊ ነበረ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ምስኡ ነበረ። 15ሳኦል ድማ ኣዝዩ ኣስተውዓሊ ኸም ዝዀነ ምስ ረኣየ፡ ንእኡ ፈርሆ። 16ብዘለዉ እስራኤልን ይሁዳን ግና፡ ኣብ ቅድሚኦም ይወጽእን ይኣቱን ነበረ እሞ፡ ንዳዊት ፈተውዎ።
17ሳኦል ድማ ንዳዊት፡ እንሆ፡ እታ ዓባይ ጓለይ ሜራብ ሰበይቲ ኽትኰነካ ሂበካ ኣሎኹ፡ ሓንትስ ጽኑዕ ወዲ ኹነለይ፡ ውግእ እግዚኣብሄር ከኣ ተዋጋእ፡ በሎ። ሳኦል ከኣ፡ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ኣብ ልዕሊኡ ትኹን እምበር፡ ኢደይሲ ኣብ ልዕሊኡ ኣይትኹን፡ በለ። 18ዳዊት ድማ ንሳኦል፡ ሓሙ ንጉስ ዝኸውንሲ ኣነ መን እየ፧ ህይወተይከ እንታይ እያ፧ ዓሌት ኣቦይከ ኣብ እስራኤል እንታይ እዩ፧ በሎ። 19ኰነ ኸኣ፡ ሜራብ ጓል ሳኦል፡ በታ ንዳዊት እትምርዓወላ ግዜ፡ ንሳ ንዓድርኤል፡ እቲ መሖላታዊ፡ ሰበይቲ ኽትኰኖ ተዋህበት። 20ሚካል ጓል ሳኦል፡ ንዳዊት ፈተወቶ፡ እዚ ንሳኦል ነገርዎ፡ እቲ ነገር ከኣ ኣብ ዓይኑ ባህ ኣበሎ። 21ሳኦል ድማ፡ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ኣብ ልዕሊኡ ምእንቲ ኽትከውንሲ፡ መፈንጠራ ኽትኰኖ፡ ንእኣ ኽህቦ እየ፡ በለ። ስለዚ ሳኦል ንዳዊት፡ ሎሚውን ካልኣይ ሳዕ ሓሞይ ክትከውን ኢኻ፡ በሎ። 22ሳኦል ከኣ ነቶም ገላዉኡ፡ ንዳዊት፡ እንሆ፡ ንጉስ ብኣኻ ባህ ኢልዎ ኣሎ፡ ኵሎም ገላዉኡ ድማ ፈትዮምኻ ኣለዉ፡ ሕጂ ኸኣ ሓሙ ንጉስ ኩን፡ ኢልኩም ብሕቡእ ተዛረብዎ፡ ኢሉ ኣዘዞም። 23እቶም ገላዉ ሳኦል ድማ እዚ ነገር እዚ ኣብ እዝኒ ዳዊት ተዛረቡ። ዳዊት ከኣ፡ ኣነ ድኻን ሕሱርን ሰብኣይ ክነሰይ፡ ሓሙ ንጉስ ምዃንሲ ንእሽቶ ነገርዶ ይመስለኩም ኣሎ፡ በለ። 24እቶም ገላዉ ሳኦል ከኣ፡ ዳዊት ከምዚ ዝበለ ዘረባ ተዛሪቡ፡ ኢሎም ነገርዎ። 25ሳኦል ድማ በለ፡ ንዳዊት ከምዚ በልዎ፡ ኣብቶም ጸላእቲ ንጉስ ሕነ ምእንቲ ኽፈድስ፡ ንጉስ፡ በጀካ ሚእቲ ዕልቦ ፍልስጥኤማውያን፡ ዝደልዮ ብልዒት የብሉን። ሳኦል ንዳዊት ኣብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ከውድቖ ሓሲቡ ነበረ። 26እቶም ገላዉኡ ኸኣ እዚ ዘረባ እዚ ንዳዊት ምስ ነገርዎ፡ ሽዑ ሓሙ ንጉስ ክኸውን ነገሩ ንዳዊት ጽቡቕ ኰይኑ ተራእዮ። ገና እተን መዓልትታት ከይኣኸላ ድማ፡ 27ዳዊት ተንሲኡ፡ ንሱ ምስ ሰቡ ኸይዱ ኻብ ፍልስጥኤማውያን ክልተ ሚእቲ ሰብ ቀተለ። ዳዊት ከኣ ሓሙ ንጉስ ምእንቲ ክኸውን፡ እቲ ዕልቦኦም ኣምጽአ፡ ብምሉእ ቁጽሮም ድማ ንንጉስ ኣወፈየ። ሳኦል ከኣ ጓሉ ሚካል ሰበይቲ ኽትኰኖ ሃቦ። 28ሳኦል ድማ እግዚኣብሄር ምስ ዳዊት ከም ዘሎ ረኣየን ፈለጠን። ሚካል ጓል ሳኦል ከኣ ፈተወቶ። 29ሳኦል ድማ ንዳዊት ኣዝዩ ፈርሆ፡ ሳኦል ምሉእ ዕድሜኡ ጸላኢ ዳዊት ኰነ።
30ሽዑ ሹማምቲ ፍልስጤማውያን ወጹ። ኰነ ድማ፡ ብዝወጹላ መጠን፡ ካብ ኵሎም ገላዉ ሳኦል ዳዊት ኣስተውዓሊ ነበረ፡ ስሙ ኸኣ ኣዝዩ ኸበረ።

  1ይ ሳሙኤል  ምዕራፍ 19            

   1ሳኦል ድማ ንወዱ ዮናታንን ንዅሎም ገላዉኡን ንዳዊት ክቐትልዎ ተዛረቦም። ዮናታን ወዲ ሳኦል ግና ኣብ ዳዊት ብዙሕ ፍቕሪ ነበሮ። 2ዮናታን ከኣ ንዳዊት፡ ኣቦይ ሳኦል ክቐትለካ ይደሊ ኣሎ፡ ሕጂ ድማ በጃኻ፡ ጽባሕ ተጠንቀቕ፡ ናብ ስቱር ቦታ ኣግሊስካውን ተሓባእ። 3ኣነ ኸኣ ኣብታ ንስኻ ዘሎኻያ ግራት ኣብ ጥቓ ኣቦይ ደው ኢለ፡ ኣነ ብዛዕባኻ ኽዛረቦ እየ፡ ገለ እንተ ርኣኹውን ክነግረካ እየ፡ ኢሉ ነገሮ። 4-5ዮናታን ድማ ነቦኡ ሳኦል፡ ዳዊት ኣይበደለካን፡ ግብሩ ኸኣ ንኣኻ ዓብዪ ጥቕሚ እዩ እሞ፡ ንጉስ ብጊልያኡ ዳዊት ኣይሕጣእ። ነፍሱ ኣብ ኢዱ ገይሩ ድማ ነቲ ፍልስጥኤማዊ ቐተሎ። እግዚኣብሄር ከኣ ንብዘሎ እስራኤል ዓብዪ ምድሓን ገበረ። ንስኻውን ነዚ ርኢኻ ተሓጐስካ። ስለምንታይከ ንዳዊት ብዘይ ምኽንያት ብምቕታልካ ኣብ ንጹህ ደም እትሓጥእ፧ ኢሉ ብዛዕባ ዳዊት ጽቡቕ ተዛረበ። 6ሳኦል ከኣ ዘረባ ዮናታን ሰምዐ፡ ሳኦል ድማ፡ ህያው እግዚኣብሄር እዩ ኣይመውትን እዩ፡ ኢሉ መሓለ። 7ሽዑ ዮናታን ንዳዊት ጸውዖ፡ ዮናታን ከኣ እዚ ነገር እዚ ዅሉ ነገሮ። ዮናታን ድማ ንዳዊት ናብ ሳኦል ኣእተዎ እሞ፡ ከም ቀደሙ ኣብ ቅድሚኡ ነበረ።
 8መሊሱ ድማ ውግእ ኰነ። ዳዊት ከኣ ወጺኡ ምስ ፍልስጥኤማውያን ተዋግኣ፡ ብርቱዕ ስዕረትውን ሰዓሮም፡ ካብ ቅድሚኡ ድማ ሃደሙ። 9እቲ ኽፉእ መንፈስ ድማ ካብ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ሳኦል መጸ፡ ንሱ ዅናቱ ኣብ ኢዱ ሒዙ ኣብ ቤቱ ተቐሚጡ ኸሎ ኸኣ፡ ዳዊት ብኢዱ በገና ይወቅዕ ነበረ። 10ሳኦል ድማ ንዳዊት ብዅናት ምስቲ መንደቕ ከላግቦ ደለየ፡ ንሱ ግና ካብ ቅድሚ ሳኦል ኣግለሰ፡ እቲ ዅናት ድማ ኣብቲ መንደቕ ተሸኽለ። ዳዊት ከኣ ሃዲሙ በታ ለይቲ እቲኣ ኣምለጠ። 11ሳኦል ድማ፡ ሕልው ሓዲሮም ንግሆ ምእንቲ ክቐትልዎስ፡ ናብ ቤት ዳዊት ልኡኻት ሰደደ። ሚካል ሰበይቲ ዳዊት ግና፡ በዛ ለይቲ እዚኣ ነፍስኻ እንተ ዘየድሓንካ፡ ጽባሕ ክትመውት ኢኻ፡ ኢላ ነገረቶ። 12ሚካል ከኣ ንዳዊት ብመስኮት ኣውረደቶ፡ ንሱ ኸደ፡ ሃዲሙውን ኣምለጠ። 13ሚካል ድማ ምስሊ ጣኦት ወሲዳ ኣብ ዓራት ኣንበረቶ፡ ኣብ ርእሱ ኸኣ መኸዳ ጸጒሪ ጤል ገበረትሉ፡ ክዳንውን ከደነቶ። 14ሳኦል ንዳዊት ከምጽእዎ ልኡኻት ምስ ሰደደ፡ ንሱ ሓሚሙ ኣሎ፡ በለት። 15ሽዑ ሳኦል፡ ምእንቲ ክቐትሎስ፡ ብዓራት ጌርኩም ኣደይቡለይ፡ ኢሉ ንዳዊት ክርእይዎ ነቶም ልኡኻት ሰደዶም። 16እቶም ልኡኻት ምስ ኣተዉ ድማ እንሆ፡ እቲ ምስሊ ጣኦት መኸዳ ጸጒሪ ጤል ተተርኢሱ ኣብቲ ዓራት ነበረ። 17ሽዑ ሳኦል ንሚካል፡ ስለምንታይከ ነቲ ጸላእየይ ከምልጥ ይኺድ ብምሕዳግክ ዝጠበርክኒ፧ በላ። ሚካል ከኣ ንሳኦል፡ ንሱ፡ ክኸይድ ሕደግኒ፡ እንተ ዘይኰነስ ክቐትለኪ እየ፡ ኢሉኒ፡ በለቶ።
18ዳዊት ድማ ሃዲሙ ኣምለጠ፡ ናብ ሳሙኤል ናብ ራማ ኸኣ መጸ፡ እቲ ሳኦል ዝገበሮ ዅሉ ድማ ነገሮ። ንሱን ሳሙኤልን ከኣ ናብ ናዮት ከይዶም ኣብኡ ተቐመጡ። 19ንሳኦል ድማ፡ እንሆ፡ ዳዊት ኣብ ናዮት ናይ ራማ ኣሎ፡ ኢሎም ነገርዎ። 20ሳኦል ንዳዊት ክሕዙ ልኡኻት ሰደደ። ንሳቶም ከኣ፡ ሳሙኤል ደው ኢሉ ዝመርሖም፡ ጉባኤ ነብያት ክንበዩ ምስ ረኣዩ፡ መንፈስ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ እቶም ልኡኻት ሳኦል ድማ መጸ፡ ንሳቶም ከኣ ተነበዩ። 21እዚ ንሳኦል ምስ ነገርዎ ድማ፡ ንሱ ኻልኦት ልኡኻት ሰደደ፡ ንሳቶምውን ተነበዩ። ሳኦል ከኣ መሊሱ ሳልሳይ ግዜ ልኡኻት ሰደደ፡ ንሳቶም ድማ ተነበዩ። 22ሽዑ ንሱ ናብ ራማ ኸደ፡ ናብቲ ኣብ ሴኩ ዘሎ ዓብዪ ዔላ ምስ መጸ ድማ፡ ሳሙኤልን ዳዊትን ኣበይ እዮም ዘለዉ፧ ኢሉ ጠየቐ። እነሆ ኣብ ናዮት ናይ ራማ ኣሎ በሎ። 23ንሱ ኸኣ ናብኡ፡ ናብ ናዮት ናይ ራማ ኸደ፡ ኣብ ልዕሊኡ ድማ መንፈስ ኣምላኽ መጸ፡ ኣብ ናዮት ናይ ራማ ኽሳዕ ዝመጽእ ከኣ እናተነበየ ኸደ። 24ንሱ ድማ ክዳውንቱ ደርብዩ ኣብ ቅድሚ ሳሙኤል ተነበየ፡ ጥራዩ ዀይኑ ኸኣ መዓልቲ መላእን ለይቲ መላእን ወዲቑ ነበረ። ስለዚ ድማ፡ ሳኦልውንንዶ ምስ ነብያት እዩ፧ ይብሉ ኣለዉ።

  1ይ ሳሙኤል  ምዕራፍ 20 

   1ዳዊት ከኣ ካብ ናዮት ናይ ራማ ሃዲሙ ናብ ቅድሚ ዮናታን መጺኡ፡ ኣቦኻ ኸምዚ ገይሩ ንህይወተይ ዝደልያ ዘሎስ፡ እንታይ ገይረ እየ፧ ኣበሳይከ እንታይ እዩ፧ ሓጢኣተይሲ ኣብ ቅድሚ ኣቦኻ እንታይ እዩ፧ በለ። 2ንሱ ድማ፡ ያእ እዝስ የርሕቆ፡ ኣይትመውትን። እንሆ፡ ኣቦይሲ ዓብዪ ነገር ኰነ ንእሽቶ ነገር ንኣይ ከይነገረ ዝገብሮ የብሉን፡ ስለምንታይ ደኣ ኣቦይ እዚ ነገር እዚ ይሓብኣለይ፧ እዝስ ዘይከውን እዩ፡ በሎ። 3ዳዊት ግና መሊሱ፡ ኣቦኻ፡ ኣነ ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ ከም ዝረኸብኩ፡ ኣጸቢቑ ይፈልጥ እዩ፡ ስለዚ ኸኣ፡ ዮናታን ምእንቲ ኸይጕሂ እዚ ኣይፍለጥ፡ ይብል፡ ግናኸ፡ ህያው እግዚኣብሄር እዩ፡ ነፍስኻ ድማ ህያው እያ፡ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎ ሞትን ስጉምቲ ጥራይ ከም ዘሎ ርግጽ እዩ፡ ኢሉ መሓለ። 4ሽዑ ዮናታን ንዳዊት፡ ነፍስኻ ዝደለየቶ ዘበለ ኽገብረልካ እየ፡ በሎ። 5ዳዊት ከኣ ንዮናታን፡ እንሆ፡ ጽባሕ ወርሒ እትወጸላ እያ፡ ኣነ ድማ ክበልዕ ምስ ንጉስ ኮፍ ክብል ይግብኣኒ እዩ፡ ግናኸ ክሳዕ ምሸት እታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኣብ መሮር ክሕባእ እኺድ ሕደገኒ። 6ኣቦኻ እንተ ሰኣነኒ፡ ንብዘለዉ ዓሌቱ ኣብኡ ናይ ዓመት መስዋእቲ ኣለዎም እሞ፡ ዳዊት ናብ ቤት-ልሄም ከተማኡ ኽጐዪ ኣጽኒዑ ለሚኑኒ፡ በሎ። 7ደሓን እንተ በለካ፡ ንጊልያኻ ደሓን እዩ። ኣዝዩ እንተ ዀረየ ግና፡ ክፉእ ከም ዝመደበ ፍለጥ። 8እምበኣርስኸ ንጊልያኻ ምሳኻ ኪዳን እግዚኣብሄር ካብ ኣእቶኻዮ፡ ንጊልያኻ ምሕረት ግበረሉ። ኣበሳ እንተ ተረኺቡኒ ግና፡ ስለምንታይ ናብ ኣቦኻ ተብጽሓኒ፡ ባዕልኻ ቕተለኒ፡ በሎ። 9ዮናታን ከኣ፡ እዝስ ካባኻ ይርሓቕ፡ ካብ ኣቦይ ክፉእ ከም እተመደበካ እንተ ደኣ ፈሊጠስ፡ ኣነኸ ኣይነግረካንዶ እየ፧ በለ። 10ሽዑ ዳዊት ንዮናታን፡ ኣቦኻ ብርቱዕ ነገር እንተ መለሰልካ ደኣ፡ መን ይነግረኒ፧ በሎ። 11ዮናታን ድማ ንዳዊት፡ ንዓናይ፡ ናብ መሮር ንውጻእ፡ በሎ። ክልቲኦም ከኣ ናብ መሮር ወጹ።
12ዮናታን ድማ ንዳዊት በሎ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ይመስክር፡ ጽባሕ ወይ ድሕሪ ጽባሕ ከምዛ ግዜ እዚኣ ነቦይ ብዛዕባ ዳዊት መርሚረ፡ እንሆ ኸኣ፡ ደሓን እንተሎ፡ ሽዑ ልኢኸ እንተ ዘይነገርኩኻ፡ 13እግዚኣብሄር ንዮናታን ከምዚ ይግበሮ፡ ከምዚውን ይወስኮ። ኣቦይ ንኽፉእካ እንተ ደለየ ግና፡ ክነግረካ እየ፡ ብደሓንካ ምእንቲ ኽትከይድ ድማ፡ ክሰደካ እየ። እግዚኣብሄር ከኣ ከምቲ ምስ ኣቦይ ዝነበሮ፡ ምሳኻ ይኹን። 14ገና ብህይወት እንተ ኣልየስ ምእንቲ ኸይመውት፡ ምሕረት እግዚኣብሄር ግበረለይ። 15እግዚኣብሄር ንነፍሲ ወከፍ ጸላእቲ ዳዊት ካብ ገጽ ምድሪ ምስ ኣጥፍኣ እኳ፡ ምሕረትካ ንዘለኣለም ካብ ቤተይ ኣይተቋርጽ። 16ሽዑ ዮናታን፡ እግዚኣብሄር ካብ ኢድ ጸላእቲ ዳዊት ይድለዮ፡ ኢሉ ምስ ቤት ዳዊት ኪዳን ኣተወ። 17ዮናታን ድማ ንዳዊት ከም ነፍሱ ገይሩ ይፈትዎ ነበረ እሞ፡ ስለቲ ዝነበሮ ፍቕሩ መሊሱ ኣምሓሎ። 18ሽዑ ድማ ዮናታን በሎ፡ ጽባሕ ወርሒ እትወጸላ እያ፡ እታ ምቕማጥካ ጥራያ ኽትከውን እያ እሞ፡ ክትስኣን ኢኻ። 19ሰለስተ መዓልቲ ምስ ገበርካ ግና ቀልጢፍካ ውረድ እሞ፡ ናብታ እቲ ኽፉእ ክግበር እተሓስበላ መዓልቲ ተሓቢእካላ ዝነበርካ ቦታ ምጻእ፡ ኣብ ጥቓ እምኒ ኤዜል ተቐመጥ። 20ኣነ ኸኣ በቲ ጎቦኡ ንዕላማ ኸም ዝውርውር፡ ሰለስተ ፍላጻ ኽውርውር እየ። 21እንሆ ድማ፡ ነቲ ወዲ፡ ኪድ ነቲ ፍላጻታት ድለዮ ኢለ ኽሰዶ እየ፡ ነቲ ወዲ፡ እንሆ፡ እቲ ፍላጻ ኽነጀውካ እዩ ዘሎ፡ ውሰዶ፡ እንተ በልክዎ፡ ሽዑ ንኣኻ ደሓን እዩ እሞ፡ ንዓ፡ ገለ ነገር የልቦን፡ ህያው እግዚኣብሄር እዩ። 22ነቲ መንእሰይ፡ እንሆ፡ እቲ ፍላጻታት ክንየውካ እዩ ዘሎ፡ እንተ በልክዎ ግና፡ ሽዑ እግዚኣብሄር ሰዲዱካ እዩ እሞ፡ ኪድ። 23ብዛዕባ እቲ ኣነን ንስኻን እተዛረብናዮ ነገር ከኣ፡ እንሆ፡ እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን እዩ፡ በሎ።
24ዳዊት ድማ ኣብ መሮር ተሓብአ። በታ ወርሒ እትወጸላ ኸኣ ንጉስ ክበልዕ ኣብ መኣዲ ተቐመጠ። 25ንጉስ ድማ ከም ልማዱ ኣብ መንበሩ፡ ኣብቲ ኣብ መንደቕ ተጸጊዑ ዘሎ መንበር ተቐመጠ። ዮናታን ከኣ ተንስአ፡ ኣብኔር ድማ ኣብ ጥቓ ሳኦል ተቐመጠ። ምቕማጥ ዳዊት ከኣ ጥራያ ነበረት። 26ሳኦል ግና፡ ገለ ረኺብዎ እዩ፡ ኣይነጽሀን፡ ብርግጽ ኣይነጽሀን፡ ኢሉ ነበረ እሞ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ገለ እኳ ኣይተዛረበን፡ 27ኰነ ድማ፡ ድሕሪ እታ ወርሒ እትወጸላ፡ በታ ኻልኣይቲ መዓልቲ እታ ምቕማጥ ዳዊት ጥራያ ጸንሐት፡ ሳኦል ከኣ ንዮናታን ወዱ፡ ወዲ እሴይሲ ትማሊ ዀነ፡ ሎሚ ዀነ ናብ መኣዲ ዘይመጸ ስለምንታይ እዩ፧ በሎ። 28ዮናታን ድማ ንሳኦል መለሰሉ፡ ዳዊት ናብ ቤት-ልሄም ክኸይድ ኣጽኒዑ ለሚኑኒ፡ 29ኣብታ ኸተማ ናይ ዓሌት መስዋእቲ ኣሎና እሞ፡ ሓወይ ጸዊዑኒ ኣሎ፡ ሕጂ ድማ ኣብ ቅድሜካ ሞገስ እንተ ደኣ ረኺበስ፡ ምሉቑ ኢለ ኣሕዋተይ ክርኢ በጃኻ ስደደኒ በለኒ፡ ስለዚ እዩ ናብ መኣዲ ንጉስ ዘይመጸ። 30ሽዑ ዅራ ሳኦል ኣብ ዮናታን ነዲዱ፡ ኣታ ወዲ እዛ ጠዋይ ዓለወኛ፡ ንነውርኻን ንነውሪ ሕፍረት ኣዴኻን ዝኸውን ንወዲ እሴይ ከም ዝሓሬኻስ ኣይፈልጥን ድየ፧ 31ወዲ እሴይ ብህይወቱ ኣብ ምድሪ ኽሳዕ ዘሎስ፡ ንስኻ ዀነ ሓደው መንግስትኻ ኣይትጸንዕን። ሕጂ ኸኣ ንሱ ወዲ ሞት እዩ እሞ፡ ልኢኽካ ኣምጽኣለይ፡ በሎ። 32ዮናታን ከኣ ነቦኡ ሳኦል፡ ስለምንታይ እዩ ዝመውት፡ እንታይከ ገይሩ እዩ፡ ኢሉ መለሰሉ። 33ሳኦል ድማ ክወግኦ ዅናት ወርወረሉ። ሽዑ ዮናታን፡ ኣቦኡ ንዳዊት ክቐትሎ ኸም ዝመደበ፡ ፈለጠ። 34ዮናታን ድማ ብዅራ ነዲዱ ኻብቲ መኣዲ ተንስአ፡ ኣቦኡ ንዳዊት ስለ ዘስተሓፈሮ ምእንታኡ ጕህዩ ነበረ እሞ፡ በታ ኻልኣይቲ መዓልቲ ወርሒ እንጌራ ኣይበልዐን።
35ኰነ ድማ ንጽብሒቱ ዮናታን ከምቲ ምስ ዳዊት እተሳማምዖ ናብ መሮር ወጸ፡ ንእሽቶ ወዲውን ምስኡ ነበረ። 36ነቲ ጊልያኡ ኸኣ፡ ጕየ እሞ ነቲ ኣነ ዝውርውሮ ፍላጻታት ድለዮ፡ በሎ። እቲ ወዲ ኽጐዪ ኸሎ፡ ንሱ ድማ ፍላጻ ወርዊሩ ብልዕሊኡ ኣሕለፈ። 37እቲ ወዲ ኣብታ ዮናታን ፍላጻ ዝውርወረላ ቦታ ምስ በጽሐ፡ ዮናታን ደድሕሪ እቲ ወዲ ጸዊዑ፡ እቲ ፍላጻ ኽንየውካዶ ኣይኰነን፧ በሎ። 38ዮናታን ድማ፡ ተሎ ኢልካ ቐልጥፍ፡ ደው ኣይትበል፡ ኢሉ ደድሕሪ እቲ ወዲ ጨደረ። እቲ ጊልያ ዮናታን ድማ ነቲ ፍላጻታት ኣክቡ ናብ ጐይታኡ መጸ። 39ነቲ ነገር ዮናታንን ዳዊትን ጥራይ ይፈልጥዎ ነበሩ እምበር፡ እቲ ወዲ ገለ እኳ ኣይፈለጠን። 40ዮናታን ከኣ መሳርያኡ ነቲ ጊልያኡ ሂቡ፡ ኪድ ናብ ከተማ ኣእትዎ፡ በሎ። 41እቲ ወዲ ምስ ከደ ድማ፡ ዳዊት ካብ ወገን ደቡብ ተንሲኡ፡ ብገጹ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ሰለስተ ሳዕ ፍግም በለ። ንሓድሕዶም ከኣ ተሳዓዓሙ፡ ብሓደ ዀይኖምውን በኸዩ፡ ምናዳ እኳ ዳዊት ኣዝዩ በኸየ። 42ዮናታን ድማ ንዳዊት፡ ብሰላም ኪድ፡ ንሕና ኽልቴና፡ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ ዘርአይን ዘርእኻን እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ምስክር ይኹን፡ ኢልና ብስም እግዚኣብሄር ተማሓሒልና ኢና፡ በሎ።
43ንሱ ኸኣ ተንሲኡ ኸደ፡ ዮናታን ድማ ናብ ከተማ ኣተወ።

  1ይ ሳሙኤል  ምዕራፍ 21            

   1ዳዊት ድማ ናብቲ ኻህን ኣሂሜሌክ ናብ ኖብ መጸ፡ ኣሂሜሌክ ከኣ ራዕራዕ እናበለ ንዳዊት ክቃባበሎ መጸ፡ ከምዚ ኢሉውን ጠየቖ፡ ስለምንታይ ኢኻ ሰብ ዘይብልካ በይንኻ፧ በሎ። 2ዳዊት ድማ ንኻህን ኣሂሜሌክ፡ ንጉስ፡ እቲ ኣነ ዝለኣኽኩኻ ነገርን እቲ ዝኣዝዝኩኻን ሓደ ሰብ እኳ ኣይፍለጦ፡ ኢሉ ኣዚዙኒ እዩ እሞ ነቶም ኣጕባዝ ናብ ከምዝን ከምዝን ዝበለ ቦታ ኣመልከትክዎም። 3ሕጂ ኸኣ ኣብ ኢድካ እንታይ ኣሎ፧ ሓሙሽተ እንጌራ ወይ እተረኽበ ኣብ ኢደይ ሃበኒ፡ በሎ። 4እቲ ኻህን ድማ ንዳዊት፡ ማንም ዝበልዖ እንጌራ ኣብ ኢደይ የልቦን፡ እቶም ኣጕባዝ ካብ ኣንስቲ እንተ ተሓልዮም ግና፡ ቅዱስ እንጌራ ኣሎ፡ ኢሉ መለሰሉ። 5ዳዊት ከኣ ነቲ ኻህን፡ ብሓቂ ኣንስትስ ካብ ትማልን ቅድሚ ትማልን ካባና ፍሉያት እየን፡ ኣቓሑ እቶም ኣጕባዝ ድማ በታ ዝወጻእኩላ ግዜ ቅዱስ ነበረ፡ እታ መገዲ እኳ ዘይቅድስቲ እንተ ዀነት፡ ሎምስ በቲ ኣቓሑ ትቕደስ እያ፡ ኢሉ መለሰሉ። 6እቲ ኻህን ከኣ፡ ብዘይ እቲ ኻብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እተላዕለ እንጌራ ምርኣይ፡ በታ እተላዕለላ መዓልቲ ውዑይ እንጌራ ምእንቲ ኸንብሩ፡ ኣብኡ ኻልእ እንጌራ ስለ ዘይነበረ፡ እቲ ቅዱስ እንጌራ ሃቦ።
7በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ካብ ገላዉ ሳኦል ዶኤግ ዝስሙ ኤዶማዊ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዝሕሎ ኣብኡ ነበረ፡ ንሱ ሓለቓ ጓሶት ሳኦል ነበረ። 8ዳዊት ድማ ንኣሂሜሌክ፡ እቲ ናይ ንጉስ ነገር ስለ ዝሃወኸ፡ ሴፈይን ኣጽዋረይን ኣይተማላእኩን እሞ፡ ገለ ዅናት ወይ ሴፍ ኣብዚ ኣብ ኢድካዶ የልቦን፧ በሎ። 9እቲ ኻህን ድማ፡ ሴፍ እቲ ንስኻ ኣብ ለሰ ድዋ ዝቐተልካዮ ጐልያድ፡ እቲ ፍልስጥኤማዊ፡ እንሆ፡ ንሱ ብዓለባ ተሸፊኑ ኣብ ድሕሪ ኤፎድ፡ ኣብኡ ኣሎ፡ ኣብዚ ብጀካኡ ኻልእ የልቦን እሞ፡ ክትወስዶ እንተ ደሌኻስ፡ ውሰዶ፡ በለ። ዳዊት ከኣ፡ ከምኡ ዝበለ የልቦን፡ ሃበኒ፡ በለ።
10ዳዊት ድማ ተንሲኡ በታ መዓልቲ እቲኣ ኻብ ቅድሚ ሳኦል ሃዲሙ፡ ናብ ኣክሽ ንጉስ ጋት መጸ። 11ንኣክሽ ከኣ እቶም ገላዉኡ፡ እዝስ ዳዊት፡ ንጉስ እታ ሃገር ደይኰነን፧
እቲ፡ ሳኦል ሽሑ፡
ዳዊት ከኣ እልፉ ቐተለ፡ ኢለን እናሳዕሰዓ ዝደረፋሉ፡ እዚ ደይኰነን፧ በልዎ።
12ዳዊት ድማ ነዚ ዘረባ እዚ ኣብ ልቡ ኣንበሮ፡ ንኣክሽ ንጉስ ጋት ከኣ ኣዝዩ ፈርሆ። 13ኣብ ቅድሚኦም ከኣ ህልዋቱ ለወጠ፡ ኣብ ኢዶም ድማ ከም ዕቡድ ኰነ፡ ንመዓጹ እቲ ደገውን ሓንፈጦ፡ ልዛዩ ኸኣ ብጭሕሙ ጀበብ ይብል ነበረ። 14ሽዑ ኣክሽ ንገላዉኡ፡ እንሆ፡ እዚ ሰብኣይ እዚ ዕቡድ ምዃኑ ትርእይዎ ኣሎኹም፡ ስለምንታይ ናባይ ኣምጻእኩምዎ፧ 15ኣብ ቅድመይ ክዓብድ ዘምጻእኩምለይሲ፡ ዕቡዳትዶ ስኢነ እየ፧ እዚዶ ናብ ቤተይ ይኣቱ፧ በሎም።

         1ይ ሳሙኤል  ምዕራፍ 22            

   1ዳዊት ድማ ካብኡ ኸይዱ ናብ በዓቲ ኣዱላም ሃደመ። ኣሕዋቱን ብዘለዉ ቤት ኣቦኡን እዚ ምስ ሰምዑ ኸኣ፡ ናብኡ ወረዱ። 2ኵሎም ጭኑቓት ሰብን ኵሎም ሰብ ዕዳን ኵሎም ነፍሶም እተመረረት ሰብን ናብኡ ተኣከቡ፡ ኣብ ልዕሊኦም ድማ ሓለቓ ዀነ፡ ኣስታት ኣርባዕተ ሚእቲ ሰባት ከኣ ምስኡ ነበሩ።
   3ካብኡ ድማ ዳዊት ናብ ሚጽጳ ናይ ሞኣብ ከደ፡ ንንጉስ ሞኣብ ከኣ፡ ኣምላኽ ዝገበረኒ ኽሳዕ ዝፈልጥሲ፡ በጃኻ ኣቦይን ኣደይን ምሳኻትኩም ክዀኑ ይምጽኡ፡ በሎ። 4ናብ ቅድሚ ንጉስ ሞኣብ ድማ ኣምጽኦም፡ ክሳዕ እተን ዳዊት ኣብ እምባ ዝነበረለን መዓልትታት ከኣ ምስኡ ተቐመጡ። 5ነብዪ ጋድ ድማ ንዳዊት፡ ኣብዚ እምባ ኣይትቀመጥ፡ ንቐል እሞ ናብ ምድሪ ይሁዳ ኺድ፡ በሎ። ሽዑ ዳዊት ከይዱ ናብ ዱር ሓረት መጸ።
   6ሳኦል ድማ፡ ዳዊትን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰባትን ከም እተጋህዱ፡ ሰምዐ። ሳኦል ከኣ ኣብ ጊብዓ ዅናቱ ሒዙ ኣብ ትሕቲ እታ ኣብ በሪኽ ዘላ ኦም ተቐመጠ፡ ኵሎም ገላዉኡ ድማ ምስኡ ደው ኢሎም ነበሩ። 7ሳኦል ከኣ ነቶም ምስኡ ደው ኢሎም ዘለዉ ገላዉኡ፡ ኣቱም ብንያማውያን፡ እስከ ስምዑ፡ ወዲ እሴይሲ ንዅሉኹምዶ ግርሁን ኣታኽልቲ ወይንን ክህበኩም እዩ፧ ንዅሉኹምዶኸ ሓላቑ ሽሕን ሓላቑ ሚእትን ክገብረኩም እዩ፧ 8ኵሉኹም ደኣ እተማሓሓልኩምለይ፡ ወደይውን ምስ ወዲ እሴይ ኪዳን ከም እተኣታተወ፡ ሓደ እኳ ዝነገረኒ የልቦን። ወደይ ንጊልያይ ከምዚ ናይ ሎሚ ዘሎ ንምድባቕ ከተንስኣለይ ከሎ፡ ካባኻትኩም ሓደ እኳ ዝሓመመለይን ዝገለጸለይን የልቦን፡ በሎም።
   9ሽዑ ዶኤግ እቲ ኤዶማዊ፡ ምስቶም ገላው ሳኦል ደው ኢሉ ዝነበረ፡ ንወዲ እሴይ ናብ ኣሂሜሌክ ወዲ ኣሒጡብ፡ ኣብ ኖብ መጺኡ ርእየዮ። 10ንሱ ድማ ንእግዚኣብሄር ጠየቐሉ፡ ምግቢውን ሃቦ፡ ሴፍ ጐልያድ እቲ ፍልስጥኤማዊ ኸኣ ሃቦ፡ ኢሉ መለሰ።
   11ሽዑ እቲ ንጉስ ንኻህን ኣሂሜሌክ ወዲ ኣሒጡብን ንብዘላ ቤት ኣቦኡ፡ ኣብ ኖብ ዝነበሩ ኻህናትን ልኢኹ ጸውዖም። ኵሎም ከኣ ናብ ንጉስ መጹ። 12ሳኦል ድማ፡ ኣታ ወዲ ኣሒጡብ፡ እስክ ስምዓኒ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ እኔኹ ጐይታይ፡ ኢሉ መለሰ። 13ሳኦል ድማ፡ ንሱ፡ ከምዚ ናይ ሎሚ ዘሎ፡ ንድብቕ ክትንስኣኒ፡ ንእኡ እንጌራን ሴፍን ብምሃብካ፡ ኣብ ክንዳኡውን ንኣምላኽ ብምጥያቕካ፡ ስለምንታይ ንስኻን ወዲ እሴይን እተማሓሓልኩምለይ፧ በሎ። 14ኣሂሜሌክ ከኣ ንንጉስ፡ ካብ ኵሎም ገላዉኻኸ ከም ዳዊት ገይሩ እተኣምነ፡ ሓሙ ንጉስውን ዝዀነ፡ ዝእዘዘካ ድማ፡ ኣብ ቤትካውን ዝኸበረ፡ መን እዩ፧ 15ሎሚ ድየ ንኣምላኽ ክጥይቐሉ ዝጀመርኩ፧ እዝስ ካበይ ይርሓቕ፡ ጊልያኻ እዚ ዅሉ ነገር እዚ፡ ንእሽቶ ዀነ ወይ ዓብዪ፡ ኣይፈልጥን እዩ እሞ፡ ንጉስ ንጊልያኡን ንብዘላ ቤት ኣቦይን ነገር ኣይጽዓኖም፡ ኢሉ መለሰሉ። 16ንጉስ ግና፡ ኣሂሜሌክ፡ ንስኻን ብዘላ ቤት ኣቦኻን ብርግጽ ክትሞቱ ኢኹም፡ በለ። 17እቲ ንጉስ ከኣ ነቶም ከቢቦምዎ ዝቘሙ ዘብዓኛታት፡ ዳዊት ከም ዝሃደመ ፈሊጦም ከለዉ ስለ ዘይነገሩኒ፡ ኢዶምውን ምስኡ ስለ ዝዀነት፡ ዜርኩም ንኻህናት እግዚኣብሄር ቅተልዎም፡ በሎም። እቶም ገላዉ ንጉስ ግና ንምቕታል ካህናት እግዚኣብሄር ኢዶም ክዝርግሑ ኣይፈተዉን። 18ሽዑ እቲ ንጉስ ንዶኤግ፡ ንስኻ ዜርካ ነዞም ካህናት ቅተሎም፡ በሎ። ዶኤግ እቲ ኤዶማዊ ድማ ዞይሩ ነቶም ካህናት ቀተሎም። ንሱ በታ መዓልቲ እቲኣ ሰማንያን ሓሙሽተን ኤፎድ ልሕጺ እንጣጢዕ ዝለበሱ ሰባት ቀተለ። 19ንኖብ ነታ ኸተማ ኻህናት ድማ ብስሕለት ሴፍ ወቕዓ፡ ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን ዝጠብዉ ሕጻናትን ኣብዑርን ኣእዱግን ኣባጊዕን ብስሕለት ሴፍ ቀተለ። 20ሓደ ኻብቶም ደቂ ኣሂሜሌክ፡ ወዲ ኣሒጢብሲ፡ ኣብያታር ዝስሙ ኣምሊጡ ደድሕሪ ዳዊት ሃደመ። 21ኣብያታር ከኣ ሳኦል ንኻህናት እግዚኣብሄር ከም ዝቐተሎም ንዳዊት ነገሮ። 22ዳዊት ድማ ንኣብያታር፡ ዶኤግ እቲ ኤዶማዊ ኣብኡ ኸሎ፡ እዚ ንሳኦል ርግጽ ከም ዝነግሮ፡ ሽዑ መዓልቲ ፈሊጠ። ንዅለን ነፍሳት ቤት ኣቦኻ ምኽንያት ሞተን ኣነ እየ። 23እቲ ንነፍሰይ ዝደልያ ንነፍስኻ ድማ ይደልያ እዩ እሞ፡ ንስኻ ምሳይ ክትሕሎስ ምሳይ ተቐመጥ፡ ኣይትፍራህ፡ በሎ።

         1ይ ሳሙኤል  ምዕራፍ 23            

   1ንዳዊት ድማ፡ እንሆ፡ ፍልስጥኤማውያን ንቅዒላ ይዋግእዋ፡ ኣዕውዲውን ይወርሩ ኣለዉ፡ ኢሎም ነገርዎ። 2ሽዑ ዳዊት፡ ነዞም ፍልስጥኤማውያንዶ ኽዋግኦም ክኸይድ፧ ኢሉ ንእግዚኣብሄር ጠየቖ። እግዚኣብሄር ከኣ ንዳዊት፡ ኪድ ንፍልስጥኤማውያን ተዋጊእካ ንቅዒላ ኣድሕና፡ በሎ። 3ግናኸ ንዳዊት እቶም ሰቡ፡ እንሆ፡ ንሕና ኣብዚ ኣብ ይሁዳ ኸሎና እኳ፡ እንፈርህ ዘሎናስ፡ ናብ ሰራዊት ፍልስጥኤማውያን ንቅዒላ እንተ ኸድና ግዳ ኽገድድ ደይኰነን፧ በልዎ። 4ሽዑ ዳዊት መሊሱ ንእግዚኣብሄር ጠየቖ። እግዚኣብሄር ድማ፡ ኣነ ፍልስጥኤማውያን ኣብ ኢድካ ሂበካ እየ እሞ፡ ተንሲእካ ናብ ቅዒላ ውረድ፡ ኢሉ መለሰሉ። 5ዳዊት ከኣ ምስ ሰቡ ናብ ቅዒላ ኸይዱ፡ ምስ ፍልስጥኤማውያን ተዋግአ፡ ከብቶም ድማ ዘመተ፡ ብርቱዕ ስዕረት ከኣ ሰዓሮም። በዝውን ዳዊት ነቶም ኣብ ቅዒላ ዝነብሩ ኣድሓኖም።
   6ኰነ ኸኣ፡ ኣብያታር ወዲ ኣሂሜላክ፡ ናብ ዳዊት ናብ ቅዒላ ምስ ሃደመ፡ ኤፎድ ኣብ ኢዱ ሒዙ ወረደ።
    7ንሳኦል ድማ ዳዊት ናብ ቅዒላ ኸም ዝኣተወ ነገርዎ። ሳኦል ከኣ፡ ናብታ ማዕጾን መሸጐርን ዘለዋ ኸተማ ኣትዩ ተዓጽዩ እዩ እሞ፡ ኣምላኽ ኣብ ኢደይ ኣሕሊፉ ሂቡኒ እዩ፡ በለ። 8ሳኦል ድማ ንዳዊትን ንሰቡን ክኸቦም ንብዘሎ ህዝቢ ኽዋግኡ ናብ ቅዒላ ኽወርዱ ኣወጀሎም። 9ዳዊት ግና ሳኦል ክፉእ ከም ዝመኸረሉ ፈሊጡ ንኻህን ኣብያታር፡ ኤፎድ ኣምጽእ፡ በሎ። 10ዳዊት ድማ፡ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፡ ሳኦል ናብ ቅዒላ መጺኡ ብሰረይ ነዛ ኸተማ ኸጥፍኣ ኸም ዝደሊ፡ ባርያኻ ብርግጽ ሰሚዑ ኣሎ። 11ከምቲ ባርያኻ ዝሰምዖ፡ ሳኦልዶ ኽወርድ እዩ፡ ሰብ ቅዒላኸ ኣሕሊፎምዶ ኣብ ኢዱ ኽህቡኒ እዮም፧ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፡ በጃኻ እዚ ንባርያኻ ኣፍልጦ፡ በለ። 12ዳዊት ድማ፡ ሰብ ቅዒላኸ ንኣይን ንሰበይንዶ ኣሕሊፎም ኣብ ኢድ ሳኦል ክህቡኒ እዮም፧ በለ። እግዚኣብሄር ከኣ፡ እወ፡ ኣሕሊፎም ክህቡኻ እዮም፡ በለ።
    13ሽዑ ዳዊትን እቶም ሹድሽተ ሚእቲ ዝዀኑ ሰቡን ተላዒሎም ካብ ቅዒላ ወጹ። ክኸድዎ ናብ ዝኸኣሉ ዘበለ ድማ ተመላለሱ። ንሳኦል ከኣ፡ ዳዊት ካብ ቅዒላ ኸም ዝሃደመ ምስ ነገርዎ፡ ምውጻእ ሓደጎ።
   14ዳዊት ከኣ ኣብ በረኻ ኣብ እምባታት ተቐመጠ፡ ኣብቲ ኣብ በረኻ ዚፍ ዘሎ ኸረንውን ይቕመጥ ነበረ። ሳኦል ከኣ ኵሉ መዓልቲ ይደልዮ ነበረ፡ ኣምላኽ ግና ኣብ ኢዱ ኣይሃቦን። 15ዳዊት ድማ ሳኦል ንነፍሱ ኽደልያ ኸም ዝወጸ ርእዩ፡ ኣብ በረኻ ዚፍ ኣብ ዱር ነበረ። 16ዮናታን ወዲ ሳኦል ድማ ተንሲኡ ናብ ዳዊት ናብቲ ዱር ከደ፡ ኢዱ ኸኣ ብኣምላኽ ኣጽንዐ። 17ንሱ በሎ፡ ኢድ ኣቦይ ሳኦል ኣይትረኽበካን እያ እሞ፡ ኣይትፍራህ፡ ንስኻ ንጉስ እስራኤል ክትከውን ኢኻ፡ ኣነ ኸኣ ካልኣይካ ክኸውን እየ፡ ነዚ ድማ ኣቦይ ሳኦል ፈሊጥዎ ኣሎ። 18ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከኣ ክልቲኦም ኪዳን ተኣታተዉ። ዳዊት ድማ ኣብቲ ዱር ተቐመጠ፡ ዮናታን ከኣ ናብ ቤቱ ኸደ።
   19ሽዑ ዝፋውያን ናብ ሳኦል ናብ ጊብዓ ደዪቦም ከምዚ በሉ፡ ዳዊት ኣብቲ ኣብ ዱር ዘሎ እምባታት ኣብ ልዕሊ እቲ ብደቡብ በረኻ ዘሎ ዅርባ ሓክላ ተሓቢኡዶ ኣየሎን፧ 20ሕጂ ኸኣ፡ ዎ ንጉስ፡ ምውራድሲ፡ ከምቲ ዅሉ ድላይ ነፍስኻ ውረድ፡ ኣብ ኢድ ንጉስ ኣሕሊፍካ ምሃብ ግና ናትና እዩ፡፡ 21ሳኦል ድማ በለ፡ ስለ ዝደንገጽኩምለይ ብእግዚኣብሄር ብሩኻት ኢኹም፡፡ 22ንሱ ኣዝዩ ጎራሕ ከም ዝኾነ፡ ነጊሮምኒ እዮም እሞ፡ በጃኹም ኬድኩም እግሩ ኣብ ኣየናይ ቦታ ኸም ዝረገጸት፡ ኣብኣ ኸኣ መን ከም ዝረኣዩ፡ መሊስኩም ኣርጊጽኩም ፍለጡን ርኣዩን፡፡ 23እቲ ንሱ ዝሕብኣሉ ዘበለ መሕቢኢታት ርኢኹም ከኣ ፍለጡ፡ እቲ ነገሩ ምስ ኣርገጽኩምዎ ድማ ናባይ ተመለሱ እሞ፡ ምሳኻትኩም ክኸይድ እየ፡፡ ክኸውን ድማ እዩ፡ ኣብታ ሃገር እንተሎ፡ ኣብ ኵሎም ኣሽሓት ይሁዳ ኽደልዮ እየ፡፡ 24ንሳቶም ከኣ ተንሲኦም ቀቅድሚ ሳኦል ናብ ዚፍ ከዱ፡፡ ዳዊትን ሰቡን ግና ኣብ በረኻ ማዖን ነቲ በረኻ ብወገን ደቡቡ ኣብ ዘሎ ጎልጎል ነበሩ፡፡
   25ሳኦልን ሰቡን ድማ ክደልይዎ ኸዱ፡፡ ንዳዊት ምስ ነገርዎ ኸኣ፡ ናብቲ ኸውሒ ወሪዱ፡ ኣብ በረኻ ማዖን ተቐመጠ፡፡ ሳኦል ድማ፡ እዚ ምስ ሰምዐ፡ ደድሕሪ ዳዊት ናብ በረኻ ማዖን ሰዓበ፡፡ 26ሳኦል ከኣ ነቲ ኸረን ብሓደ ወገኑ፡ ዳዊትን ሰቡን ድማ ነቲ ኸረን በቲ ኻልኣይ ወገኑ ኸዱ፡፡ ሳኦልን ሰቡን ንዳዊትን ሰቡን ክሕዝዎም ከቢቦምዎ ነበሩ እሞ፡ ዳዊት ኣብ ቅድሚ ሳኦል ቀልጢፉ ህደመ፡፡ 27ሽዑ ልኡኽ ናብ ሳኦል መጺኡ፡ ነዛ ሃገር ፍልስጥኤማውያን ኣትዮምዋ ኣለዉ እሞ፡ ቀልጢፍካ ንዓ፡ በሎ፡፡ 28ሳኦል ድማ ደድሕሪ ዳዊት ካብ ምስዓብ ተመልሰ፡ ንፍልስጥኤማውያን ክቃባበሎም ከደ፡ ስለዚ ኸኣ ነታ ቦታ ሴላዕ-ማሕልቆት ኢሎም ሰመይዋ፡፡

         1ይ ሳሙኤል  ምዕራፍ 24            

   1ዳዊት ድማ ካብኡ ደዪቡ ኣብ ጽኑዕ ቦታታት ዔን-ገዲ ተቐመጠ፡፡ 2ኮነ ኸኣ፡ ሳኦል ደድሕሪ ፍልስጥኤማውያን ካብ ምስዓብ ምስ ተመልሰ፡ እንሆ፡ ዳዊት ኣብ በረኻ ዔን-ገዲ ኣሎ፡ ኢሎም ነገርዎ፡፡ 3ሽዑ ሳኦል፡ ካብ ብዘሎ እስራኤል እተሓረዩ ሰለስተ ሽሕ ሰብኣይ ወሲዱ፡ ንዳዊትን ሰቡን ኣብ ኣኻውሕ ጤለበዱ ኽደልይዎ ከደ፡፡ 4ናብቲ ጥቓ መገዲ ዝነበረ ደምቤታት ኣባጊዕ ድማ መጸ፡ ኣብኡ ኸኣ በዓቲ ነበረ፡ ሳኦል ድማ እግሩ ክኸድን ኣተወ። ዳዊትን ሰቡን ከኣ ኣብ ውሽጢ እቲ በዓቲ ተቐሚጦም ነበሩ። 5ሽዑ እቶም ሰብ ዳዊት፡ እታ እግዚኣብሄር፡ ነቲ ጸላኢኻ ጽቡቕ ኰይኑ እተራእየካ ኽትገብሮስ፡ እንሆ፡ ኣነ ኣብ ኢድካ ኽህበካ እየ፡ ዝበለካ መዓልቲ እንሃ፡ ሎሚ እያ፡ በልዎ። ዳዊት ድማ ተንሲኡ ቐስ ኢሉ ጫፍ ክዳን ሳኦል ቈረጸ። 6ድሕርዚ ግና፡ ጫፍ ክዳን ሳኦል ስለ ዝቘረጸ፡ ንዳዊት ልቡ ወቕዖ። 7ንሰቡ ድማ፡ ንሱ ቕቡቕ እግዚኣብሄር እዩ እሞ፡ ንጐይታይ፡ ነቲ ቕቡእ እግዚኣብሄር፡ ኢደይ ናብኡ ዘርጊሐ እዚ ነገር እዚ ምግባርሲ እግዚኣብሄር ካባይ የርሕቆ፡ በሎም። 8ዳዊት ነቶም ሰቡ ብዘረባኡ ዓገቶም፡ ኣብ ሳኦል ክትንስኡ ድማ ኣይፈቐደሎምን። ሳኦል ከኣ ካብቲ በዓት ተንሲኡ መገዱ ኸደ። 9ድሕርዚ ዳዊት ተንሲኡ ኻብቲ በዓቲ ወጸ፡ ዎ ጐይታይ ንጉስ፡ ኢሉ ኸኣ ደድሕሪ ሳኦል ጸውዐ። ሳኦል ድማ ንድሕሪኡ ግልጽ በለ እሞ፡ ዳዊት ብገጹ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ፍግም በለ። 10ዳዊት ድማ ንሳኦል በሎ፡ ስለምንታይ ኢኻ ዘረባ እቶም፡ እንሆ፡ ዳዊት ንኽፉእካ እዩ ዝደሊ፡ ዝብሉኻ ሰባት እትሰምዕ፧ 11እግዚኣብሄር ሎሚ ኣብቲ በዓቲ ንኣኻ ኣብ ኢደይ ኣሕሊፉ ኸም ዝሃበኒ፡ ሎሚ መዓልቲ ኣዒንትኻ ርእይን እየን። ክቐትለካ ድማ መኸሩኒ። ኣነ ግና፡ ንሱ ቕቡእ እግዚኣብሄር እዩ እሞ፡ ኢደይ ናብ ጐይታይ ኣይዝርግሕን ኢለ ነሓፍኩኻ። 12ኣቦየ፡ ርአ፡ እወ፡ እቲ ጫፍ ክዳንካ ኣብ ኢደይ ከም ዘሎን፡ ርአ፡ ጫፍ ክዳንካ ክቘርጽ ከሎኹ፡ ንኣኻ ብዘይ ምቕታለይ ኣብ ኢደይ ክፍኣት ኰነ፡ በደል ኰነ ከም ዘየልቦ ፍለጥን ርአን። ንስኻ ኸኣ ንነፍሰይ ክትወስድ እትደሊ ኽነስኻስ፡ ኣባኻ ኣይሓጣእኩን። 13እግዚኣብሄር ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ይፍረድ፡ እግዚኣብሄር ድማ ንኣኻ ሕነ ይፍደየለይ፡ ኢደይ ግና ኣባኻ ኣይትኸውንን እያ። 14ከምቲ ምስላ እቶም ቀዳሞት፡ ክፉእ ካብቶም ክፉኣት ይወጽእ፡ ዝብሎ እዩ። ኢደይ ግና ኣባኻ ኣይትኸውንን እያ። 15ንጉስ እስራኤል ደድሕሪ መን እዩ ወጺኡ ዘሎ፡ ንመንከ ኢኻ ንስኻ እትሰጎ ዘሎኻ፡ ንምዉት ከልቢ፡ ንሓደ ቘንጪ። 16ስለዚ እግዚኣብሄር ዳኛ ዀይኑ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ይፍረድ፡ ንሱ ኸኣ ርእዩ ንነገረይ ይከላኸለለይ፡ ፈሪዱ ድማ ካብ ኢድካ የድሕነኒ።
   17ኰነ ኸኣ፡ ዳዊት እዚ ዘረባ እዚ ንሳኦል ተዛሪቡ ምስ ወድአ፡ ሳኦል፡ እዚ ቓል እዚ ቓልካ ድዩ ወደይ ዳዊት፧ ኢሉ ድማ፡ ሳኦል ዓው ኢሉ በኸየ። 18ንዳዊት ከኣ በሎ፡ ኣነ ኽፉእ እናገበርኩኻ፡ ጽቡቕ ጌርካለይ ኢኻ እሞ፡ ካባይሲ ንስካ ትጸድቕ። 19እግዚኣብሄር ኣብ ኢድካ ኣሕሊፉኒ ኽነሱስ፡ ንኣይ ብዘይ ምቕታልካ ንስኻ ጽቡቕ ከም ዝገበርካለይ፡ ሎሚ ኣርኣኻ። 20ሰብ ንጸላኢሉ ምስ ዝረኽቦስ፡ ብደሓንዶ መገዱ ይሰዶ፧ ስለዚ ድማ ዝገበርካለይ እግዚኣብሄር ጽቡቕ ይፍዴኻ። 21ሕጂ ኸኣ፡ እንሆ ንስኻ ብርግጽ ከም እትነግስ፡ እታ መንግስቲ እስራኤል ድማ ኣብ ኢድካ ኸም እትቐውም፡ እፈልጥ ኣሎኹ። 22ሕጂ ኸኣ፡ ብድሕረይ ንዘርኣይ ከይተጽንቶ፡ ንስመይውን ካብ ቤት ኣቦይ ከይተጥፍኦ፡ ብእግዚኣብሄር ምሓለለይ። 23ዳዊት ድማ ንሳኦል መሓለሉ። ሽዑ ሳኦል ናብ ቤቱ ኸደ፡ ዳዊትን ሰቡን ግና ናብ እምባ ደየቡ።

         1ይ ሳሙኤል  ምዕራፍ 25 

   1ሳሙኤል ድማ ሞተ። ብዘለዉ እስራኤል ከኣ ተኣክቦም በኸዩሉ፡ ኣብ ራማ ኣብ ቤቱ ድማ ቀበርዎ። ሽዑ ዳዊት ተንሲኡ ናብ በረኻ ጳራን ወረደ።
2ሓደ ሰብኣይ፡ ተግባሩ ኣብ ቀርሚሎስ ከሎ፡ ኣብ ማዖን ነበረ፡ እቲ ሰብኣይ ድማ ኣዝዩ ሃብታም ነበረ። ሰለስተ ሽሕ በጊዕ፡ ሽሕ ከኣ ጤል ነበራኦ፡ በቲ ግዜ ቲ ድማ፡ ኣባጊዑ ክቘርጽ ኣብ ቀርሜሎስ ነበረ። 3ስም እቲ ሰብኣይ እቲ ኸኣ ናባል፡ ስም ሰበይቱ ድማ ኣቢጋይል ነበረ። እታ ሰበይቱ ኸኣ ኣዝያ ኣስተውዓሊትን መልክዐኛን ነበረት። እቲ ሰብኣይ ግና ጨካን ግብሩ ድማ ክፉእ ነበረ፡ ንሱ ኸኣ ካብ ዓሌት ካሌብ ነበረ። 4ዳዊት ድማ ኣብ በረኻ ኸሎ፡ ናባል ኣባጊዑ ይቘርጽ ከም ዘሎ ሰምዐ። 5ሽዑ ዳዊት ዓሰርተ ኣጕባዝ ለኣኸ፡ ዳዊት ከኣ ነቶም ኣጕባዝ በሎም፡ ናብ ቀርሜሎስ ደዪብኩም ናብ ናባል እተዉ እሞ ብስመይ፡ ከመይ ኢልካ ኣሎኻ፡ በልዎ። 6ከምዚ ድማ በልዎ፡ ጥዕና ይሃበለይ፡ ንኣኻ ሰላም፡ ንቤትካ ሰላም፡ ንዘሎካ ዅሉውን ሰላም። 7ሕጂ ኸኣ ቈረጽቲ ኣባጊዕ ከም ዘለዉኻ ሰሚዐ። እምበኣርሲ እቶም ጓሶትካ ምሳና እዮም ዝነበሩ፡ በቲ ኣብ ቀርሜሎስ ዝነበሩሉ ዅሉ ግዜ ኣየስተሓፈርናዮምን፡ ገለ እኳ ድማ ኣይጠፍኦምን። 8ንገላዉኻ ጠይቆም፡ ንሳቶም ከኣ ክነግሩኻ እዮም። ብጽብቕቲ መዓልቲ መጽእና ኣሎና እሞ፡ እዞም ኣጕባዝ ኣብ ቅድሜካ ሞገስ ይርከቡ፡ በጃኻ፡ ኣብ ኢድካ እተረኽበ ንገላዉኻን ንወድኻን ዳዊትን ሃቦም።
9እቶም ገላዉ ዳዊት ምስ መጹ ድማ፡ እዚ ነገርዚ እዚ ዅሉ ብስም ዳዊት ንናባል ነገርዎ፡ ስቕ ከኣ በሉ። 10ናባል ድማ ነቶም ገላዉ ዳዊት፡ ዳዊት መን እዩ፧ ወዲ እሴይከ መን እዩ፧ ሎምስ ከካብ ጐይተቶም ዝመለቑ ገላዉ ብዙሓት እዮም። 11እንጌኢራይን ማየይን እቲ ንቘረጽቲ ኣባጊዐይ ኢሉ ዝሓረድክዎ ሕሩደይን ወሲደስ፡ ካበይ ምዃኖም ንዘይፈልጦም ሰባትዶ ኽህቦም እየ፧ ኢሉ መለሰሎም። 12እቶም ገላዉ ዳዊት ድማ መገዶም ተመልሱ። መጺኦም ድማ እዚ ነገር እዚ ዅሉ ነገርዎ። 13ሽዑ ዳዊት ነቶም ሰቡ፡ ነፍሲ ወከፍኩም ሴፍኩም ተዓጠቑ፡ በለ። ነፍሲ ወከፍ ድማ ሴፉ ተዓጥቀ፡ ዳዊትውን ሴፉ ተዓጥቀ። ደድሕሪ ዳዊት ከኣ ኣስታት ኣርባዕተ ሚእቲ ሰብኣይ ደየቡ። ክልተ ሚእቲ ኸኣ ኣብ ኣቓሑ ተቐመጡ።
14ንኣቢጋይል ሰበይቲ ናባል ድማ ሓደ ኻብቶም ኣጕባዝ ከምዚ በላ፡ እንሆ፡ ዳዊት ካብ በረካ ንጐይታና ሰላም ክብልዎ ልኡኻት ሰደደ፡ ንሱ ኸኣ ሰጐጎም። 15እዞም ሰባት እዚኣቶም ግና ንኣናስ ብዙሕ ሕያዎት እዮም ዝነበሩ፡ ኣየስተሓፈሩናንውን፡ በቲ ኣብ በረኻ ምሳታቶም እተማላለስናሉ ዅሉ ግዜ ድማ ገለ እኳ ኣይጠፍኣናን። 16እቲ ኣባጊዕ ክንጓሲ ምሳታቶም ከሎና ለይቲ ዀነ፡ መዓልቲ ዀነ፡ ኵሉ ግዜ መካበብያ ዀይኖምና ነበሩ። 17ንሱ ድማ ሓደ እኳ ኽዛረቦ ዘይኽእል ወዲ ብልያል እዩ እሞ፡ ሕጂ ንጐይታናን ንብዘላ ቤቱን ክፉእ ተመዲብዎ ኣሎ፡ ስለዚ ርኣዪ፡ እትገብርዮ ኸኣ ፍለጢ።
18ሽዑ ኣቢጋይል ቀልጢፋ ኽልተ ሚእቲ እንጌራ ክልተ ሓርቢ ወይንን ሓሙሽተ ብሱላት ኣባጊዕን ሓሙሽተ መስፈር ጥቡስ ሰዊትን ሚእቲ ጐጎ ዘቢብን ክልተ ሚእቲ ጐጎ በለስን ወሲዳ ኣብ ኣእዱግ ኣጽዓነቶ። 19ንግዙኣታ ኸኣ፡ ቀቅድመይ ሕለፉ፡ እኔኹ፡ ክስዕበኩም እየ፡ በለቶም። ንሰብኣያ ናባል ግና ኣይነገረቶን። 20ኰነ ድማ፡ ኣድጊ ተወጢሓ፡ ነቲ ኸረን ብኸውለ ኸውሊ ኽትወርድ ከላ፡ እንሆ፡ ዳዊትን ሰቡን ከኣ ክቃባበልዋ ወረዱ፡ ንሳ ድማ ተጓነፈቶም። 21ዳዊት ከኣ ከምዚ ኢሉ ነበረ፡ ናይዚ ጥሪት ኵሉ ኣብ በረኻ ዘሎ ኻብ ዘለዎ ዅሉ ገለ እኳ ኸይጠፍኦ፡ ንኸንቱ ጥራይ ሓሎኹሉ። ንሱ ግና ኣብ ክንዲ ጽቡቕ ክፉእ መለሰለይ። 22ጽባሕ ክሳዕ እትበርህ፡ ካብ ዘለዎ ዅሉ ኣብ መንደቕ ተጸጊዑ ኻብ ዝሸይን፡ ሓደ እኳ እንተ ደኣ ሓዲገስ፡ ኣምላኽ ንጸላእቲ ዳዊት ከምዚ ይግበሮም ከምዚውን ይወስኮም።
23ኣቢጋይል ድማ ንዳዊት ምስ ረኣየቶ፡ ቀልጢፉ ኻብ ኣድጊ ወረደት፡ ኣብ ቅድሚ ዳዊትውን ብገጻ ተደፊኣ ናብ ምድሪ ፍግም በለት። 24ኣብ እግሩ ወዲቓ ኸኣ በለቶ፡ ኣታ ጐይታይ፡ እዚ ኣበሳ እዚ ኣባይ ይኹን፡ በጃኻ፡ ገረድካ ኣብ እዝንኻ ትዛረብ፡ ዘረባ ገረድካውን ስማዕ። 25ጐይታይ፡ ኣብዚ ናይ ብልያል ሰብ፡ ኣብ ናባል ልቡ ኸየውድቕ እልምን ኣሎኹ። ስሙ ናባል እዩ እሞ፡ ጽላለ ኣለዎ፡ ከምቲ ስሙ፡ ንሱ ኸምኡ እዩ። ኣነ ገረድካ ግና ነቶም ዝለኣኽካዮም ናይ ጐይታይ ኣጕባዝ ኣይርኣኽዎምን። 26ሕጂ ኸኣ፡ ጐይታይ፡ ህያው እግዚኣብሄር እዩ፡ ነፍስኻውን ህያው እያ፡ እቲ ኣብ ደም ካብ ምእታውን ብኢድካ ሕነ ኻብ ምፍዳይን ዘድሓነካ እግዚኣብሄር እዩ። ሕጂ ድማ ጸላእትኻን እቶም ንጐይታይ ክፉእ ዝደልዩሉን ከም ናባል ይኹኑ። 27ሕጂ ኸኣ እዚ ገረድካ ንጐይታይ ዘምጽኣትሉ ገጽ በረኸት ነቶም ንጐይታይ ዝስዕቡ ኣጕባዝ ይወሃብ። 28ጐይታይሲ ውግእ እግዚኣብሄር ዝዋጋእ ስለ ዝዀነ፡ ምሉእ ዕድሜኻ ኣባኻ ገለ ኽፉእ ኣይርከብን እዩ እሞ፡ እግዚኣብሄር ድማ ንጐይታይ ጽንዕቲ ቤት ከም ዝሰርሓሉ ርግጽ እዩ። እምበኣርሲ በጃኻ፡ በደል ገረድካ ሕደገላ። 29ሰብ እኳ ኽሰጐካን ንነፍስኻ ኽደልን እንተ ተንስአ፡ ነፍሲ ጐይታይሲ ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብቲ ኸረጺት ህያዋን ጥቕልልቲ ትኹን። ንነፍሳት ጸላእትኻ ግና ከም ኣብ ዓውዲ ወንጭፍ ገይሩ ይወንጭፈን። 30ክኸውን ድማ እዩ፡ እግዚኣብሄር ንጐይታይ ከምቲ ዅሉ ጽቡቕ እተዛረበካ ምስ ገበረ፡ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ከኣ ሓለቓ ኽትከውን ምስ እዘዘካ፡ 31እቲ ንጹህ ደም ምፍሳስን ሕነ ምፍዳይን ጐይታይን ንዕንቅፋትካን ንምስቃቕ ልቢ ጐይታይን ኣይኹንካ። እግዚኣብሄር ንጐይታይ ጽቡቕ ምስ ገበረልካ ድማ፡ ንገረድካ ዘክረኒ።
32-34ሽዑ ዳዊት ንኣቢጋይል፡ እቲ ኽፉእ ከይገብረኪ ዝኸልከለኒ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ህያው እዩ፡ ንስኺ ኽትቅበልኒ ቐልጢፍክ እንተ ዘይትመጽስ፡ ርግጽ እዩ ንናባል ጽባሕ ክሳዕ እትበርህ ኣብ መንደቕ ተጸጊዑ ኻብ ዝሸይን ሓደ እኳ ኣይምተረፎን ነይሩ እዩ እሞ፡ እቲ በዛ መዓልቲ እዚኣ ኽትቅበልኒ ዝሰደደክ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ይባረኽ። ኣእምሮኺ ድማ ብሩኽ ይኹን፡ ንስኺውን ኣብ ደም ካብ ምእታው፡ ሎሚ መዓልቲ ዝከልከልክኒ ብርኽቲ ዅኒ፡ በላ። 35ዳዊት ድማ እቲ ዘምጽኣትሉ ኻብ ኢዳ ተቐቢሉስ፡ ርኣዪ፡ ዘረባኺ ሰሚዔ፡ ገጽኪ ኸኣ ኣኽበርኩ፡ ናብ ቤትክ ብሰላም ደይቢ፡ በላ።
36ኣቢጋይል ድማ ናብ ናባል መጸት፡ እንሆ ኸኣ፡ ከም ምሳሕ ንጉስ ዝበለ ምሳሕ ኣብ ቤቱ ነበሮ። ልቢ ናባል ድማ ተሓጐሰ፡ ኣዝዩ ሰኺሩ ኸኣ ነበረ። ስለዚ ንጽቢሒቱ ኽሳዕ ዝበርህ፡ ይንኣስ ይዕበ ገለ እኳ ኣይተዛረበቶን። 37ኰነ ድማ፡ ንጽብሒቱ ናባል ስኽራኑ ምስ ወጸሉ፡ ሰበይቱ እዚ ነገር እዚ ነገርቶ። ሽዑ ልቡ ኣብ ውሽጡ ሞተ፡ ከም እምኒውን ኰነ፡ 38ኰነ ኸኣ፡ ድሕሪ ዓሰርተ መዓልቲ ዝኣክል እግዚኣብሄር ንናባል ወቕዖ፡ ሞተ ኸኣ።
39ዳዊት ድማ ሞት ናባል ምስ ሰምዐ፡ እቲ ኻብ ኢድ ናባል ዝበጽሓኒ ውርደት ዝፈረደለይ፡ ንባርያኡውን ክፉእ ከይገብር ዝኸልከለኒ እግዚኣብሄር ይባረኽ። እቲ ኽፍኣት ናባል ከኣ እግዚኣብሄር ናብ ርእሱ መለሰሉ፡ በለ። ዳዊት ድማ ብዛዕባ ኣቢጋይል ሰበይቱ ኽትከውን ክወስዳ ልኢኹ ተዛረባ። 40እቶም ገላዉ ዳዊት ከኣ ንቀርሜሎስ ናብ ኣቢጋይል መጺኦም፡ ዳዊት ሰበይቱ ኽትኰንዮ ኽወስደክ ኢሉ፡ ናባኺ ልኢኹና፡ ኢሎም ነገርዋ። 41ሽዑ ንሳ ተንሲኣ ብገጻ ናብ ምድሪ ተደፍአት፡ እኔኹ ገረድካ፡ ንምሕጻብ ኣእጋር ገላዉ ጐይታይ ግዝእቲ እኹን፡ ድማ በለት። 42ኣቢጋይል ከኣ ቀልጢፉ ተንስአት፡ ኣድጊ ድማ ተወጥሐት፡ ሓሙሽተ ኣግራዳ ኸኣ ይስዕባኣ ነበራ። ደድሕሪ እቶም ልኡኻት ዳዊት ድማ ከደት፡ ሰበይቱ ኸኣ ኰነት። 43ዳዊት ድማ ንኣሒኖዓም ብዓልቲ ይዝርኤል ወሰዳ፡ ክልቲኤን ከኣ ኣንስቱ ዀና። 44ሳኦል ግና ጓሉ ሚካል፡ ሰበይቲ ዳዊት፡ ንፋልጢ ወዲ ላይሽ በዓል ጋሊም፡ ሂብዎ ነበረ።

         1ይ ሳሙኤል  ምዕራፍ 26            

   1እቶም ዚፋውያን ድማ ናብ ሳኦል ናብ ጊብዓ መጺኦም፡ ዳዊት ኣብቲ ኣብ መንጽር በረካ ዘሎ ዅርባ ሓክላዶ ተሓቢኡ ኣየሎን፧ በልዎ። 2ሽዑ ሳኦል፡ ንዳዊት ኣብ በረኻ ዚፍ ክደልዮ፡ ኣብ እስራኤል እተሓርዩ ሰለስተ ሽሕ ሰብኣይ ምስኡ ሒዙ፡ ናብ በረኻ ዚፍ ወረደ። 3ሳኦል ከኣ ኣብታ ኣብ መንጽር በረኻ ኣብ መገዲ ዘላ ዅርባ ሓክላ ሰፈረ። ዳዊት ግና ኣብቲ በረኻ ተቐሚጡ ነበረ፡ ሳኦል ደድሕሪኡ ናብ በረኻ ኸም ዝመጸ ምስ ረኣየ ድማ፡ 4ዳዊት ሰለይቲ ሰዲዱ፡ ሳኦል ብርግጽ ከም ዝመጾ፡ ፈለጠ። 5ዳዊት ከኣ ተንሲኡ፡ ናብታ ሳኦል ሰፊርዋ ዘላ ቦታ መጸ። ዳዊት ድማ ሳኦልን ኣብኔር ወዲ ኔር እቲ ሓለቓ ሰራዊቱን ዝድቅሱላ ዝነበሩ ቦታ ረኣየ። ሳኦል ኣብ ውሽጢ ሰፈር ስረገላታት ደቀሰ፡ እቶም ህዝቢ ኸኣ ኣብ ዙርያኡ ሰፊሮም ነበሩ። 6ዳዊት ድማ መሊሱ ንኣሂሜሌክ ሄታውያን ንኣቢሳይ ወዲ ጽሩያ ሓው ዮኣብን፡ ናብ ሳኦል ናብቲ ሰፈር መን ምሳይ ይወርድ፡ በሎም። ኣቢሳይ ከኣ፡ ኣነ ምሳኻ እወርድ፡ በለ። 7ዳዊትን ኣቢሳይን ከኣ ብለይቲ ናብቲ ህዝቢ መጹ፡ እንሆ ድማ፡ ሳኦል ኣብ ውሽጢ ሰፈር ሰረገላታት በጥ ኢሉ ደቂሱ፡ ኵናቱ ኸኣ ኣብ ጥቓ ርእሱ ኣብ ምድሪ ተተኺሉ ነበረ። ኣብኔርን እቶም ህዝብን ድማ ኣብ ዙርያኡ ደቂሶም ነበሩ። 8ሽዑ ኣቢሳይ ንዳዊት፡ ሎሚ ኣምላኽ ንጸላኢኻ ኣብ ኢድካ ኣሕሊፉ ሂቡካ ኣሎ፡ ሕጂ ኸኣ በጃኻ፡ ከይደገምኩስ ሓንሳእ ብዅናት ምስ ምድሪ ኸላግቦ ሕደገኒ፡ በሎ። 9ዳዊት ግና ንኣቢሳይ፡ ኢዱ ናብ ቅቡእ እግዚኣብሄር ዘርጊሑስ በደል ዘይዀኖ መን ኣሎ፧ ስለዚ ኣይትቕተሎ፡ በሎ። 10ዳዊት ድማ፡ ህያው እግዚኣብሄር እዩ፡ እግዚኣብሄር ክቐትሎ እዩ፡ ወይ ከኣ መዓልቱ በጺሓ ይመውት ወይ ኣብ ውግእ ወሪዱ ይጠፍእ። 11ኢደይ ናብቲ ቕቡእ እግዚኣብሄር ካብ ምዝርጋሕሲ እግዚኣብሂር ካባይ የርሕቆ። ሕጂ ድማ፡ በጃኻ፡ ነቲ ኣብ ጥቓ ርእሱ ዘሎ ዅናትን ነቲ ርኰት ማይን ውሰድ እሞ ንኺድ፡ በለ። 12ዳዊት ከኣ ነቲ ዅናትን ነቲ ርኰት ማይን ካብ ጥቓ ርእሲ ሳኦል ወሰደ፡ መገዶም ድማ ኸዱ። እግዚኣብሄር ከቢድ ድቃስ ኣውዲቑሎም ነበረ፡ ስለዚ ዅሎም ደቂሶም ነበሩ እምበር፡ ሓደ እኳ ዝረኣየ የልቦን፡ ዝፈለጠ ኸኣ የልቦን፡ ዝነቕሐውን የልቦን።
13ዳዊት ድማ ናብ ስግር ሓለፈ፡ ኣብ ርሑቕ ኣብ ርእሲ እቲ ኸረን ቈመ፡ ኣብ መንጎኦም ገፊሕ ቦታ ነበረ። 14ዳዊት ከኣ ነቶም ህዝብን ንኣብኔር ወዲ ኔርን፡ ኣታ ኣብኔር፡ ኣይትመልስንዶ፧ ኢሉ፡ ጸውዐ። ኣብኔር ድማ፡ ንንጉስ እትጽውዕ፡ ንስኻ መን ኢኻ፧ ኢሉ መለሰ። 15ዳዊት ከኣ ንኣብኔር በሎ፡ ንስኻ ሰብኣይ ደይኰንካ፧ ኣብ እስራኤልከ ኸማኻ ዝበለ መን ኣሎ፧ ሓደ ኻብ ህዝቢ ንጐይታኻ ንጉስ ክቐትሎ መጺኡ ነይሩ እዩ እሞ፡ ስለምንታይ ደኣ ንጐይታኻ ንጉስ ዘይሓሎኻዮ፧ 16እዚ ዝገበርካዮ ነገር ጽቡቕ ኣይኰነን። ንጐይታኹም፡ እቲ ቕቡእ እግዚኣብሄር፡ ስለ ዘይሓሎኹምዎ፡ ንስኻትኩም ደቂ ሞት ከም ዝዀንኩም፡ ህያው እግዚኣብሄር እዩ። ሕጂ ኸኣ፡ እቲ ኣብ ጥቓ ርእሱ ዝነበረ ዅናት ንጉስን ርኰት ማይን ኣበይ ከም ዘሎ ርኣ። 17ሳኦል ድማ ድምጺ ዳዊት ኣለልዩ፡ ወደይ ዳዊት፡ እዚ ድምጽኻ ድዩ፧ በለ። ዳዊት ከኣ፡ እወ ጐይታይ ንጉስ፡ ድምጸይ እዩ፡ በለ። 18ወሲኹ ድማ በለ፡ እንታይ ገይረ እየ፧ ኣብ ኢደይከ እንታይ ክፉእ ተረኺቡኒ እዩ፧ ስለምንታይ ደኣ እዩ ጐይታይ ንጊልያኡ ዝሰጎ ዘሎ፧ 19እምበኣር ሕጅስ በጃኻ ጐይታይ ንጉስ፡ ዘረባ ጊልያኡ ይስማዕ። እቲ ናባይ ዝደረኸካ፡ እግዚኣብሄር እንተ ዀይኑ፡ ምዑዝ መስዋእቲ ይተዓጠነሉ፡ ደቂ ሰብ እንተ ዀይኖም ግና፡ ኣብ ርስቲ እግዚኣብሄር ክፍሊ ኸይረክብሲ፡ ኪድ እሞ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኣምልኽ ኢሎም፡ ሎሚ ሰጕጎምኒ እዮም እሞ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ርጉማት ይኹኑ። 20ሕጂ ኸኣ ንቖቓሕ ኣብ ኣኽራን ከም ዝህደን፡ ንጉስ እስራኤል ንሓደ ቘንጪ ኽደሊ ወጺኡ እዩ እሞ፡ ደመይ ካብ ገጽ እግዚኣብሄር ተፈልዩ ኣብ ምድሪ ኣይፍሰስ። 21ሽዑ ሳኦል፡ ኣነ በዲለ እየ፡ ወደይ ዳዊት፡ ነፍሰይ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ቅድሜካ ስለዝኸበረት፡ ደጊም ክፉእ ኣይገብረካን እየ እሞ ተመለስ፡ እንሆ፡ ተጸሊለ ኣዝየ ተጋጌኹ፡ በለ። 22ዳዊት ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰ፡ እቲ ዅናት ንጉስ እንሆ፡ ካብቶም ኣጕባዝ ሓደ ይሳገር እሞ ይውሰዶ። 23ሎሚ እግዚኣብሄር ንኣኻ ኣብ ኢደይ ኣሕሊፉ ሂቡኒ ነይሩ፡ ኣነ ግና ናብቲ ቕቡእ እግዚኣብሄር ኣቢለ ኢደይ ክዝርግሕ ኣይፈቶኹን፡ እግዚኣብሄር ደኣ ንነፍሲ ወከፍ ከም ጽድቁን ከም እምነቱን ይፍደዮ። 24እንሆ ድማ፡ ከምቲ ነፍስኻ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ቅድመይ ዝኸበረት፡ ከምኡ ኸኣ ነፍሰይ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ትኽበር፡ ካብ ኵሉ መከራውን የድሕነኒ። 25ሽዑ ሳኦል ንዳዊት፡ ኣታ ወደይ ዳዊት፡ ብሩኽ ኩን። ምግባርሲ ኽትገብር ኢኻ፡ ብርግጽውን ከተስልጦ ኢኻ፡ በሎ። ዳዊት ድማ መገዱ ኸደ፡ ሳኦልውን ናብ ቦታኡ ተመልሰ።

        1ይ ሳሙኤል  ምዕራፍ 27            

   1ዳዊት ድማ ብልቡ፡ ሕጂ ሓንቲ መዓልቲ ብኢድ ሳኦል ክጠፍእ እየ፡ ናብ ምድሪ ፍልስጥኤማውያን ካብ ምህዳም ዝሓይሽ የብለይን፡ ሽዑ ሳኦል እቲ ኣብ ብዘሎ ዶባት ምድሪ እስራኤል ምድላየይ ይሓድግ እሞ፡ ካብ ኢዱ እድሕን፡ በለ። 2ዳዊት ድማ ተንሲኡ፡ ንሱን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሽዱሽተ ሚእቲ ሰብን፡ ናብ ኣክሽ፡ ወዲ ማዖክ ንጉስ ጋት፡ ተሳገረ። 3ዳዊትን ሰቡን ነፍሲ ወከፍ መምስ ቤተ ሰቡ፡ ዳዊትውን ምስ ክልቲኤን ኣንስቱ፡ ኣሒኖዓም ብዓልቲ ይዝርአልን ኣቢጋይልን፡ ብዓልቲ ቀርሜሎስ ሰበይቲ ናባልን፡ ምስ ኣክሽ ኣብ ጋት ተቐመጡ። 4ሳኦል ድማ፡ ዳዊት ናብ ጋት ከም ዝሃደመ ምስ ነገርዎ፡ መሊሱ ኣይደለዮን።
5ዳዊት ከኣ ንአክሽ፡ ስለምንታይ ጊልያኻ ምሳኻ ኣብ ከተማ ንጉስ ዝቕመጥ፧ ኣብ ቅድሜኻ መጎስ እንተደኣ ረኺበስ፡ ኣነ ኣብኣ ክቕመጥ ኣብ ሓንቲ ኻብተን ኣብ መሮር ዘለዋ ኸተማታት ቦታ ይወሃበኒ፡ በሎ። 6ኣክሽ ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ ጺቅላግ ሃቦ። ስለዚ ጺቅላግ ክሳዕ ሎሚ መዓልቲ ንነገስታት ይሁዳ ዀነት። 7ቍጽሪ እተን ዳዊት ኣብ መሮር ፍልስጥኤማውያን እተቐመጠለን መዓልትታት ከኣ ዓመትን ኣርባዕተ ወርሕን ኰነ።
8ዳዊትን ሰቡን ድማ ደዪቦም ንጌሹራውያንን ንጌርዛውያንን ንኣማሌቃውያንን ወረርዎም። ንሳቶም ካብ ጥንቲ ኣብታ ኻብታ ንሹር እተእቱ ኽሳዕ ምድሪ ግብጺ ዘላ ሃገር ተቐሚጦም ነበሩ። 9ዳዊት ከኣ ነታ ሃገር ኣጥፍኣ፡ ሰብኣይ ኰነ ሰበይቲ ዀነት ድማ ብህይወት ኣይሓደገን፡ ኣባጊዕን ኣሓን ኣእዱግን ኣግማልን ክዳውንትን ግና ወሰደ፡ መሊሱ ድማ ናብ ኣክሽ መጸ። 10ኣክሽ ከኣ፡ ሎሚኸ ኣበይ ኣቢልኩም ወረርኩም፡ በለ። ዳዊት ድማ፡ ኣብ ደቡብ ይሁዳን ኣብ ደቡብ የራሕምኤላውያንን ኣብ ደቡብ ቄናውያንን፡ በለ። 11ዳዊት ከምዚ ገበረ፡ በቲ ኣብ መሮር ፍልስጥኤማውያን እተቐመጠሉ ዅሉ ግዜ ድማ ልማዱ ኸምዚ ነበረ፡ ኢሎም ከይነግሩሉ ኢሉ፡ ዳዊት ናብ ጋት ኣየምጽኦምን፡ ንሰብኣይ ኰነ ንሰበይቲ ዀነትውን ብህይወት ኣይሓደጎምን። 12ኣክሽ ከኣ ንዳዊት፡ ኣብ ህዝቡ እስራኤል ኣዝዩ ተጸሊኡ እዩ እሞ ንሓዋሩ ጊልያይ ክዀነኒ እዩ፡ ኢሉ ኣመኖ።

         1ይ ሳሙኤል  ምዕራፍ 28            

   1ኰነ ኸኣ፡ በቲ ግዜ እቲ ፍልስጥኤማውያን ምስ እስራኤል ክዋግኡ ሰራዊቶም ኣኽተቱ። ኣክሽውን ንዳዊት፡ ንስኻን ሰብካን ምሳይ ናብ ውግእ ኸም እትወጹ ብርግጽ ፍለጥ፡ በሎ። 2ዳዊት ድማ ንኣክሽ፡ እምበኣር እቲ ጊልያኻ ዝገብሮ ንስኻ ኽትርኢ ኢኻ፡ በሎ። ኣክሽ ከኣ ንዳዊት፡ እምበኣር ኵሉ ግዜ ሓላዉ ነፍሰይ ክገብረካ እየ፡ በሎ።
3ሳሙኤል ድማ ሞይቱ ነበረ፡ ብዘለዉ እስራኤል ከኣ ኣልቂሶምሉስ፡ ኣብታ ኸተማኡ ኣብ ራማ ቐቢሮምዎ ነበሩ። ሳኦል ድማ መንፈስ ጥንቈላ ንዘለዎምን ንመውደቕቲ ዛዕጎልን ካብታ ሃገር ሰጒጕዎም ነበረ።
4ፍልስጥኤማውያን ከኣ ከቲቶም መጺኦም፡ ኣብ ሹኔም ሰፈሩ። ሳኦል ድማ ንብዘሎ እስራኤል ኣኽተተ፡ ኣብ ጊልቦዓ ኸኣ ሰፈሩ። 5ሳኦል ድማ ነቲ ሰፈር ፍልስጥኤማውያን ምስ ረኣዮ ፈርሀ፡ ልቡ ኸኣ ኣዝዩ ተሸበረ። 6ሳኦል ድማ ንእግዚኣብሄር ጠየቖ፡ እግዚኣብሄር ግና ብሕልምታት ኰነ፡ ብኡሪም ኰነ፡ ብነብያት ኰነ ኣይመለሰሉን። 7ሽዑ ሳኦል ንገላዉኡ፡ ናብኣ ኸይደ ኽጥይቓስ፡ መንፈስ ጥንቈላ ዘለዋ ሰበይቲ ድለዩለይ፡ በሎም። እቶም ገላዉኡ ኸኣ፡ መንፈስ ጥንቈላ ዘለዋ ሰበይቲ እንሃ፡ ኣብ ዔን-ዶር ኣላ፡ በልዎ። 8ሳኦል ድማ ትርኢቱ ለዊጡ ኻልእ ክዳን ተኸዲኑ፡ ንሱ ኽልተ ሰባትውን ምስኡ ዀይኖም ብለይቲ ናብታ ሰበይቲ መጹ፡ በጃኺ ብመንፈስ ጥንቈላ ጌርክ ጠንቍልለይ፡ ነቲ ኣነ ዝብለክ ኸኣ ኣተንስእለይ፡ በላ። 9እታ ሰበይቲ ድማ፡ እንሆ፡ እቲ ሳኦል ዝገበሮ፡ ነቶም መንፈስ ጥንቈላ ዘለዎምን ንመውደቕቲ ዛዕጐልን ካብዛ ሃገር ከም ዘጽነቶም፡ ንስኻ ትፈልጥ ኣሎኻ፡ ስለምንታይከ ኸተቕትለኒ ኢልካ መጻወድያ ትገብረለይ፧ በለቶ። 10ሳኦል ድማ፡ በዚ ነገር እዝስ ገለ ቕጽዓት እኳ ኸም ዘይረኸበክ፡ ህያው እግዚኣብሄር እዩ፡ ኢሉ ብእግዚኣብሄር መሓለላ። 11ሽዑ እታ ሰበይቲ፡ ንመንከ ኸተንስኣልካ፡ በለቶ። ንሱ ኸኣ፡ ንሳሙኤል ኣተንስእለይ፡ በላ። 12እታ ሰበይቲ ድማ ንሳሙኤል ምስ ረኣየቶ፡ እታ ሰበይቲ ንሳኦል፡ ንስኻ ሳኦል ክነስኻ ደኣ፡ ስለምንታይ ኢኻ ዝጠበርካኒ፧ ኢላ ዓው ኢላ ጨደረት። 13እቲ ንጉስ ከኣ፡ ኣይትፍርሂ፡ እንታይ ግዳ ትርእዪ ኣሎኺ፡ በለ። እታ ሰበይቲ ድማ ንሳኦል፡ ሓደ ኣምላኽ ካብ ምድሪ ኽወጽእ እርኢ ኣሎኹ፡ በለቶ። 14ንሱ ኸኣ፡ ትርኢቱኸ ኸመይ ዝበለ እዩ፧ በላ። ንሳ ድማ፡ ባርኖስ እተኸድነ ኣረጊት ሰብኣይ ይወጽእ ኣሎ፡ በለት። ሽዑ ሳኦል፡ ንሱ ሳሙኤል ምዃኑ ፈሊጡ፡ ብገጹ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ሰገደ።
15ሳሙኤል ድማ ንሳኦል፡ ስለምንታይ ኢኻ ኸተተንስኣኒ ዘዕገርገርካኒ፧ በሎ። ሳኦል ከኣ፡ ኣነ ኣዝዩ ጸቢቡኒ ኣሎ፡ ፍልስጥኤማውያን ይዋግኡኒ ኣለዉ፡ እግዚኣብሄር ድማ ረሓቐኒ፡ ብነብያት ኰነ፡ ብሕልምታት ኰነ ኣይመልሰለይን፡ ስለዚ ኸኣ እቲ ዝገብሮ ኽትነግረኒ ኢለ ጸዋዕኩኻ፡ በሎ። 16ሳሙኤል ድማ በለ፡ እግዚኣብሄር ካብ ረሓቐካ ጸላኢኻውን ካብ ኰነ ደኣ፡ ስለምንታይ ኢኻ እትጥይቐኒ፧ 17እግዚኣብሄርሲ ከምቲ ብኣይ እተዛረቦ ገበረ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ነታ መንግስቲ ኻብ ኢድካ መንጢሉ ንብጻይካ ንዳዊት ሂብዎ እዩ። 18ነቲ ቓል እግዚኣብሄር ስለ ዘይሰማዕካን፡ ከምቲ ንዱድ ኵራኡ ድማ ኣብ ኣማሌቅ ስለ ዘይገበርካን፡ ስለዚ እግዚኣብሄር በዛ መዓልቲ እዚኣ እዚ ነገር እዚ ገበረካ። 19እግዚኣብሄር ንእስራኤል ከኣ ምሳኻ ኣብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ኣሕሊፉ ኽህበኩም እዩ። ጽባሕ ድማ ንስኻን ደቅኻን ምሳይ ክትኰኑ ኢኹም። ንሰራዊት እስራኤልውን እግዚኣብሄር ኣብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ኣሕሊፉ ኽህቦም እዩ።
20ሽዑ ሳኦል በቲ ዘረባ ሳሙኤል ኣዝዩ ፈሪሁ፡ ብኡብኡ ብምሉእ ቁመቱ ናብ ምድሪ ወደቐ፡ ምልእቲ መዓልትን ምልእቲ ለይትን ከኣ እንጌራ ኣይበልዐን እሞ፡ ገለ ሓይሊ እኳ ኣይነበሮን። 21እታ ሰበይቲ ድማ ናብ ሳኦል መጺኣ፡ ኣዝዩ ከም ዝሰምበደ ርእያ፡ እንሆ፡ ገረድካ ቓልካ ሰሚዓ፡ ነፍሰይ ከኣ ኣብ ኢደይ ኣንቢረ እቲ ዝበልካኒ ዘረባ ተኣዘዝኩ። 22ሕጂ ኸኣ በጃኻ፡ ንስኻ ዘረባ ገረድካ ስማዕ፡ መገዲ ኽትከይድ ከሎኻ፡ ምእንቲ ሓይሊ ኽትረክብሲ፡ ቁራስ እንጌራ ኣብ ቅድሜኻ ኸንብረልካ ብላዕ፡ በለቶ። 23ንሱ ግና፡ ኣይበልዕን፡ ኢሉ ኣበየ። ሽዑ እቶም ገላዉኡ፡ ምስታ ሰበይቲ ዀይኖም ግዲ በልዎ። ቃሎም ሰሚዑ ኸኣ፡ ካብ ምድሪ ተንሲኡ፡ ኣብ ዓራት ተቐመጠ። 24እታ ሰበይቲ ኸኣ ኣብ ቤታ ስቡሕ ብተይ ነበራ፡ ተቐላጢፋ ድማ ሓረደቶ፡ ሓርጭ ወሲዳ ኸኣ ኣቘምጢዓ ቕጫ ሰንከተት። 25ኣብ ቅድሚ ሳኦል ኣብ ቅድሚ ገላዉኡን ቀረበትሎም፡ ንሳቶም ከኣ በሊዖም ተንስኡ፡ በታ ለይቲ እቲኣውን ከዱ።

         1ይ ሳሙኤል  ምዕራፍ 29            

   1ፍልስጥኤማውያን ድማ ብዘሎ ሰራዊቶም ናብ ኣፌቅ ኣኽተቱ። እስራኤልውን ኣብ ይዝርኤል ኣብ ዘሎ ዓይኒ ማይ ሰፊሮም ነበሩ። 2እቶም ሹማምቲ ፍልስጥኤማውይን ድማ በብሚእትን በብሽሕን ኰይኖም ተጓዕዙ፡ ዳዊትን ሰቡን ከኣ ምስ ኣክሽ ደጀን ኰይኖም ይጐዓዙ ነበሩ። 3ሽዑ እቶም ሹማምቲ ፍልስጥኤማውያን፡ እዞም እብራውያን እዚኣቶም ኣብዚ እንታይ ይገብሩ ኣለዉ፧ በሉ። ኣክሽ ድማ ንሹማምቲ ፍልስጥኤማውያን፡ እዝስ እቲ በዘን መዓልታት ወይ በዘን ዓመታት እዝኤን ምሳይ ዝነበረ ዳዊት፡ ጊልያ ሳኦል ንጉስ እስራኤልዶ ኣይኰነን፧ ካብታ ናባይ እተጸግዓላ መዓልቲ ኽሳዕ ሎሚ ገለ እኳ ኣይረኸብኩሉን፡ በሎም። 4እቶም ሹማምቲ ፍልስጥኤማውያን ግና ኰረዩሉ እሞ እቶም ሹማምቲ ፍልስጥኤማውያን በልዎ፡ እዚ ሰብኣይ እዚ ኣብታ ዝፈቐድካሉ ቦታኡ ክቕመጥሲ፡ ናብኣ ምለሶ። እዚ ንጐይታኡ ደኣ ብምንታይ እዩ ዘሓጐሶ፡ ብርእሲ እዞም ሰባት እዚኣቶምዶ ኣይከነን፧ እምበኣር ኣብ ውግእ ተጻራሪ ምእንቲ ኸይኰነናስ፡ ናብ ውግእ ምሳና ኣይውረድ። 5እዝስ እቲ እናሳዕስዓ፡
ሳኦል ሽሑ፡
ዳዊት ግና እልፉ ቐተለ፡ ኢለን ዝደረፋሉ ዳዊትዶ ኣይኰነን፧
6ሽዑ ኣክሽ ንዳዊት ጸዊዑ፡ ንስኻ ቕኑዕ ከም ዝዀንካ ህያው እግዚኣብሄር እዩ። ካብታ ናባይ ዝመጻእካላ መዓልቲ ኽሳዕ ሎሚ ገለ ኽፉእ ኣይረኸብኩልካን እሞ፡ ኣብዚ ሰራዊት ምሳይ ምእንታውካን ምውጻእካን ባህ ይብለኒ ነይሩ፡ ነዞም ሹማምቲ ግና ባህ ኣይበልካዮምን። 7እምበኣር ሕጅስ ንሹማምቲ ፍልስጥኤማውያን ዘጒሂ ኸይትገብርሲ፡ ተመለስ እሞ ብሰላም ኪድ፡ በሎ። 8ዳዊት ከኣ ንኣክሽ፡ እንታይ እሞ ገይረ እየ፧ ከይደ ምስ ጸላእቲ ጐይታይ ንጉስ ዘየዋግእሲ፡ ካብታ ኣብ ቅድሜኻ ዝዀንኩላ መዓልቲ ኽሳዕ ሎሚ ኣብ ጊልያኻ እንታይ ረኺብካለይ ኢኻ፧ በሎ። 9ኣክሽ ድማ ንዳዊት፡ ንስኻ ኣብ ቅድመይ ከም መልኣኽ ኣምላኽ ጽቡቕ ከም ዝዀንካ እፈልጥ ኣሎኹ፡ እዞም ሹማምቲ ፍልስጥኤማውያን ደኣ፡ ናብ ውግእ ምሳና ኣይደይብ፡ ኢሎም። 10ሕጂ ኸኣ፡ ጽባሕ ምስቶም ምሳኻ ዝመጹ ገላዉ ጐይታኻ ኣንጊህካ ተንስእ እሞ፡ ጽባሕ ኣንጊህኩም ተንሲእኩምሲ ምስ በርሃልኩም ክዱ። 11ዳዊት ከኣ ንሱን ሰቡን ናብ ምድሪ ፍልስጥኤማውያን ክምለስ፡ ንግሆ ኽነቕሉ፡ ኣንጊሆም ተንስኡ። ፍልስጥኤማውያን ከኣ ናብ ይዝርኤል ደየቡ።

        1ይ ሳሙኤል  ምዕራፍ 30            

   1ኰነ ድማ፡ ዳዊትን ሰቡን ብሳልሰይቲ መዓልቲ ናብ ጺቅላግ ምስ መጹ፡ ኣማሌቃውያን ንደቡብን ንጺቅላግን ሓደጋ ወዲቖምወን ነበሩ፡ ንጺቅላግ ከኣ ስዒሮም ብሓዊ ኣንዲዶምዋ ነበሩ። 2ነንስትን ኣብኣ ንዝጸንሑ ዅሎምን ካብ ናእሽቱ ኽሳዕ ዓበይቲ ማሪኾምዎም ነበሩ፡ ግናኸ ማሪኾም ደኣ መገዶም ከዱ እምበር፡ ሓደ ሰብ እኳ ኣይቀተሉን። 3ዳዊትን ሰቡን ናብታ ኸተማ ምስ መጹ ድማ፡ እንሆ፡ ብሓዊ ነዲዳ፡ ኣንስቶምን ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን ከኣ ተማሪኾም ነበሩ። 4ሽዑ ዳዊትን እቲ ምስኡ ዝነበረ ህዝብን ንምብካይ ሓይሊ ኽሳዕ ዝስእኑ ዓው ኢሎም በኸዩ። 5ክልቲኤን ኣንስቲ ዳዊት፡ ኣሒኖዓም ብዓልቲ ይዝርኤልን ኣቢጋይል ሰበይቲ ናባል ብዓል ቀርሜሎስን ከኣ ተማሪኸን ነበራ። 6ነፍሲ ዅሉ እቲ ህዝቢ፡ ነፍሲ ወከፍ ብዛዕባ ኣወዳቱን ኣዋልዱን ስለ እተመረረ፡ ንዳዊት ብዳርባ እምኒ ክቐትልዎ ይብሉ ነበሩ እሞ፡ ኣዝዩ ጨነቖ። ዳዊት ግና ብእግዚኣብሄር ኣምላኹ ጸንዐ። 7ዳዊት ድማ ንኻህን ኣብያታር፡ ወዲ ኣሂሜሌክ፡ በጃኻ ኤፎድ ኣምጽኣለይ፡ በሎ። ኣብያታር ከኣ ነቲ ኤፎድ ናብ ዳዊት ኣምጽኦ። 8ዳዊት ድማ፡ ነቶም ዝዘመቱ ጭፍራስ ክስዕቦምዶ፧ ከርክቦምዶኸ፡ እኽእል እየ፧ ኢሉ ንእግዚኣብሄር ጠየቖ። ንሱ ድማ፡ ብርግጽ ከተርክቦም፡ ብርግጽውን ነቲ ምርኮ ኽትመልሶ ኢኻ እሞ፡ ስዓቦም፡ በሎ።
9ሽዑ ዳዊት፡ ንሱን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሹድሽተ ሚእቲ ሰባትን ከዱ፡ ኣብ ርባ በሶር ምስ በጽሑ፡ እቶም ዝተረፉ ኣብኡ ጸንሑ። 10ክልተ ሚእቲ ሰባት ንርባ በሶር ምስጋር ክሳዕ ዝስእኑ ደኺሞም ድሕሪት ተረፉ፡ ዳዊትን ኣርባዕተ ሚእቲ ሰባትን ግና ሰዓቡ።
11-12ኣብ መሮር ድማ ሓደ ግብጻዊ ሰብኣይ ረኸቡ፡ ናብ ዳዊት ከኣ ወሰድዎም። ንሱ እንጌራ ኸይበልዐን ማይ ከይሰተየን ሰለስተ መዓልትን ሰለስተ ለይትን ገይሩ ነበረ እሞ፡ እንጌራ ሃብዎ፡ በልዐ ድማ፡ ማይ ኣስተይዎ፡ ቍራስ ጐጎ በለስን ክልተ ዘለላ ወይንን ድማ ሃብዎ። ምስ በልዐ ኸኣ ነፍሱ ተመልሰቶ። 13ዳዊት ድማ፡ ንስኻ ናይ መን ኢኻ፧ ካበይከ ኢኻ፧ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ኣነ ግብጻዊ ወዲ፡ ጊልያ ኣማሌቃዊ ሰብኣይ እየ። ሓሚመ ሰለስተ መዓልቲ ገይረ እየ እሞ፡ ጐይታይ ሓዲጉኒ። 14ንሕና ኣብ ደቡብ ከሬጣውያንን ኣብቲ ናይ ይሁዳን ኣብ ደቡብ ካሌብውን ሓደጋ ወደቕና፡ ንጺቅላግ ከኣ ብሓዊ ተኰስናያ፡ በለ። 15ዳዊት ድማ፡ ናብቶም ዘመትቲ ጭፍራዶ ተውርደኒ፧ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ናብቶም ዘመትቲ ጭፍራ ከውርደካስ፡ ከይትቐትለኒ፡ ናብ ኢድ ጐይታይውን ኣሕሊፍካ ኸይትህበኒ፡ ብኣምላኽ ምሓለለይ፡ በለ። 16ንሱ ምስ ኣውረዶ ኸኣ፡ እንሆ፡ በቲ ኻብ ሃገር ፍልስጥኤማውያንን ካብ ሃገር ይሁዳን ዝወሰድዎ ብዙሕ ምርኮ ኣብ ኵላ እታ ምድሪ ፋሕ ኢሎም ይበልዑን ይሰትዩን የብዕሉን ነበሩ። 17ዳዊት ድማ ጽልግልግ ክብል ከሎ ጀሚሩ ኽሳዕ ንጽብሒቱ ምሸት ይቐትሎም ነበረ። ብጀካ ኣርባዕተ ሚእቲ ኣግማል ተወጢሖም ዝሃደሙ ኣጕባዝ፡ ካባታቶም ሓደ ሰብ እኳ ኣየምለጠን። 18ዳዊት ከኣ ነቲ ኣማሌቃውያን ወሲዶምዎ ዝነበሩ ዅሉ ኣምለሶ፡ ዳዊት ንኽልቲኤን ኣንስቱውን ኣምለሰን። 19ካብ ንእሽቶ ኽሳዕ ዓብዪ፡ ካብ ኣወዳት ኰነ፡ ካብ ኣዋልድ፡ ካብ እተዘምተ ዘበለ ኽሳዕ ኵሉ ወሲዶምዎ ዝነበሩ፡ ገለ እኳ ኣይጐደሎምን። ዳዊት ንዅሉ ኣምለሶ። 20ዳዊት ድማ ንዅለን ኣባጊዕን ኣሓን ወሰደ፡ ንኣታተን ከኣ ቀቅድሚ እተን ካልእ ከብቲ ኸብክቦም፡ እዚኣተን ምርኮ ዳዊት እየን፡ በሉ።
21ዳዊት ድማ ናብቶም ደኺሞም ንዳዊት ምስዓብ ዝሰኣኑ እሞ ኣብ ርባ በሶር ዘትረፎም ክልተ ሚእቲ ሰብኣይ መጸ። ንሳቶም ከኣ ንዳዊትን ነቲ ምስኡ ዝነበረ ህዝብን ክቕበሉ ወጹ። ዳዊቲ ድማ ናብቶም ህዝቢ ቐሪቡ፡ ደሓን ምህላዎም ሓተቶም። 22ሽዑ ኻብቶም ምስ ዳዊት ዝኸዱ ሰባት፡ እቶም ክፉኣት ዘበሉ ናይ ብልያል ሰባት፡ ምሳና ስለ ዘይከዱ፡ ካብዚ ዘምለስናዮ ምርኮስ ኣይንህቦምን ኢና። ነፍሲ ወከፍ ሰበይቱን ደቁን ጥራይ ይሓዝ እሞ መገዶም ይኺዱ፡ ኢሎም መለሱ። 23ዳዊት ግና፡ ኣሕዋተየ፡ እግዚኣብሄር ሓልዩናን ነቲ መጺኡና ዝነበረ ዘማቲ ጭፍራ ድማ ኣብ ኢድና ሂቡናን እዩ እሞ፡ በቲ ንሱ ዝሃበናስ ከምዚ ኣይትግበሩ። 24በዚ ነገር እዚ ደኣ መን ክሰምዓኩም፧ ከም ግደ እቶም ናብ ውግእ ዝወረዱ፡ ግደ እቶም ኣብ ኣቓሑ ዝጸንሑ ኸኣ፡ ከምኡ እዩ እሞ፡ ማዕረ ገይሮም ይማቐሉ፡ በለ። 25ኰነ ድማ፡ ካብታ መዓልቲ እቲኣ ንነጀው ክሳዕ ሎሚ መዓልቲ ነዚ ኣብ እስራኤል ሕግን ስርዓትን ገበሮ።
26ዳዊት ናብ ጺቅላግ ምስ መጸ ኸኣ፡ ነቶም ፈተውቱ ዓበይቲ ይሁዳ፡ ካብ ምርኮ እቶም ጸላእቲ እግዚኣብሄር እንሆልኩም ገጽ በረኸት፡ ኢሉ ኻብቲ ምርኮ ሰደደሎም። 27ነቶም ኣብ ቤት-ኤል ዝነበሩን፡ ነቶም ኣብታ ኣብ ደቡብ ዘላ ራሞት ዝነበሩን፡ ነቶም ኣብ ያቲር ዝነበሩን፡ 28ነቶም ኣብ ዓሮዔር ዝነበሩን፡ ነቶም ኣብ ሲፍሞት ዝነበሩን፡ ነቶም ኣብ ኤሽትሞዓ ዝነበሩን፡ 29ነቶም ኣብ ራካል ዝነበሩን፡ ነቶም ኣብ ከተማታት የራሕምኤላውያን ዝነበሩን፡ ነቶም ኣብ ከተማታት ቄናውያን ዝነበሩን፡ 30ነቶም ኣብ ሖርማ ዝነበሩን፡ ነቶም ኣብ ኮርዓሻን ዝነበሩን፡ ነቶም ኣብ ዓታኽ ዝነበሩን፡ 31ነቶም ኣብ ኬብሮን ዝነበሩን፡ ነቶም ኣብተን ዳዊትን ሰቡን እተማላለሱለን ኵለን ቦታታት ዝነበሩን ሰደደሎም።

         1ይ ሳሙኤል  ምዕራፍ 31            

   1ፍልስጥኤማውያን ድማ ንእስራኣኤል ተዋግእዎም። ሰብ እስራኤል ከኣ ኣብ ቅድሚ ፍልስጥኤማውያን ሃደሙ፡ ተወጊኦም ድማ ኣብ ከረን ጊልቦዓ ወደቑ። 2ፍልስጥኤማውያን ከኣ ንሳኦልን ንደቁን ስዒቦም እግርእግሮም ጠበቕዎም። ፍልስጥኤማውያን ድማ ንደቂ ሳኦል፡ ንዮናታንን ንኣቢናዳብን ንማልክሹዓን ቀተልዎም። 3እቲ ውግእ ከኣ ንሳኦል በርትዖ፡ ፍላጻ ዝውርውሩ ሰባት ድማ ኣርከብዎም እሞ፡ በቶም ወርወርቲ እምብዛ ተጨነቐ። 4ሳኦል ድማ ንጋሻ ዛግሬኡ፡ እዞም ዘይግዙራት መጺኦም ወጊኦም ከየላገጹለይሲ፡ ሴፍካ መስት እሞ ብእኡ ቕተለኒ፡ በሎ። እቲ ጋሻ ዛግሬኡ ግና እምብዛ ፈሪሁ ነበረ እሞ፡ ኣበየ። ሽዑ ሳኦል ሴፉ ወሲዱ ኣብ ልዕሊኡ ወደቐ። 5እቲ ጋሻ ዛግሬኡ ኸኣ ሳኦል ሞይቱ ምስ ረኣየ፡ ንሱ ድማ ናብ ሴፉ ወደቐ እሞ ምስኡ ሞተ። 6በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ሳኦልን ሰለስቲኦም ደቁን ጋሻ ዛግሬኡን ኵሎም ሰቡን ብሓደ ሞቱ። 7እቶም ኣብ ስግር እቲ ለሰን ኣብ ስግር ዮርዳኖስን ዝነበሩ ሰብ እስራኤል ድማ፡ ሰብ እስራኤል ከም ዝሃደሙ፡ ሳኦልን ደቁን ከኣ ከም ዝሞቱ ምስ ረኣዩ፡ ነተን ከተማታት ሓዲጎም ሃደሙ። ፍልስጥኤማውያን ከኣ መጺኦም ተቐመጥወን። 8ኰነ ኸኣ ንጽብሒቱ እቶም ፍልስጥኤማውያን ነቶም ዝሞቱ ኽገፍዎም መጹ፡ ንሳኦልን ንሰለስቲኦም ደቁን ኣብ ከረን ጊልቦዓ ወዲቖም ረኸብዎም። 9ርእሱ ቘሪጾም ከኣ ኣጽዋሩ ገፈፉ። ኣብ ቤት ጣኦታቶምን ኣብቲ ህዝብን ከበስሩ ድማ ናብ ዙርያ ሃገር ፍልስጥኤማውያን ሰደድዎ። 10ነቲ ኣጽዋሩ ኸኣ ኣብ ቤት ኣስታሮት ኣንበርዎ፡ ነቲ ሬሳኡ ግና ኣብ ቀጽሪ ቤት-ሻን ሰቐልዎ። 11እቶም ኣብ ያቤሽ-ጊልዓድ ዝነብሩ፡ እቲ ፍልስጥኤማውያን ንሳኦል ዝገበርዎ ምስ ሰምዑ ድማ፡ 12ኵሎም ጀጋኑ ሰባት ተንሲኦም መላእ ለይቲ ግስግስ ሓዲሮም ነቲ ሬሳ ሳኦልን ንሬሳታት ደቁን ካብ ቀጽሪ ቤት-ሻን ወሰድዎ። ናብ ያቤሽ መጺኦም ከኣ ኣብኡ ኣንደድዎ። 13ነቲ ኣዕጽምቶም ወሲዶም ድማ ኣብ ትሕቲ እታ ኣብ ያቤሽ ዘላ ኦም ቀበርዎ። ሾብዓተ መዓልቲ ኸኣ ጾሙ።

Leave a Reply

መጽሓፍ ቅዱስ ትግርኛ
ብሉይን ሓድሽን ኪዳን
ብሉይ ኪዳን
ሓድሽ ኪዳን
መጽሓፍ ቅዱስ ትግርኛ
ብሉይን ሓድሽን ኪዳን

ብሉይ ኪዳን

ሓድሽ ኪዳን