1ጳውሎስ፡ ከም እታ ተስፋ ናይታ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ዘላ ህይወት፡ ብፍቓድ ኣምላኽ ሃዋርያ የሱስ ክርስቶስ ዝዀነ፡ 2ናብ ጢሞቴዎስ ፍቁር ወደይ፡ ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ካብ ክርስቶስ የሱስ ጐይታናን ጸጋ፡ ምሕረት፡ ሰላም ምሳኻ ይኹን።
3-5እታ ኣባኻ ዘላ፡ ልግሚ ዘይብላ ቕድም ኣብ ሎኢስ ዓባይካ፡ ኣብ ኤውኒቄ ኣዴኻውን ዝሓደረት እምነት እናዘከርኩ፡— ኣባኻ ድማ ኸም ዘላ ተረዲአ ኣሎኹ፡— ንብዓትካ ዘኪረ፡ ብታሕጓስ ምእንቲ ክመልእሲ፡ ክርእየካ እናናፈቕኩ፡ ብጸሎተይ ለይትን መዓልትን ከየብኰርኩ እናዘከርኩኻ፡ ነቲ ኻብ ኣቦታተይ ጀሚረ ብንጹህ ሕሊና ዘገልግሎ ዘሎኹ ኣምላኽ አመስግኖ ኣሎኹ።
6-7በዚ ምኽንያት እዚ፡ ኣምላኽሲ መንፈስ ሓይልን ፍቕርን ቅጽዓትን እምበር፡ መንፈስ ፍርሃት ኣይሃበናን እሞ፡ ነቲ ብምንባር ኢደይ ኣባኻ ዘሎ ውህበት ኣምላኽ ክትሕድሶ አዘክረካ ኣሎኹ። 8ደጊም ብሓይሊ ኣምላኽ ምእንቲ ወንጌል ምሳይ መከራ ጽገብ እምበር፡ ብምስክር ጐይታና ወይስ ብኣይ ብእሱር ኣይትሕፈር። 9ኣምላኽ ብፍቓድ ርእሱን በቲ ብክርስቶስ የሱስ ቅድሚ ዘመናት ዓለም እተዋህበና ጸጋን ኣድሓነና ብቕዱስ ጽውዓውን ጸውዓና እምበር፡ ብግብርና ኣይኰነን። 10ሕጂ ግና ብምግሃድ መድሓኒና የሱስ ክርስቶስ ተገልጸ፡ ንሱ ንሞት ዝሰዓሮ፡ ንህይወትን ንዘይምጥፋእን ብወንጌል ናብ ብርሃን ዘውጽኦ፡ 11ነዚ ኣነ ኣዋጅን ሃዋርያን መምህር ኣህዛብ ክኸውን ተሸምኩ። 12ብምኽንያቱውን እየ እዚ ሓሳር እዚ ዝጸግብ ዘሎኹ፡ ግናኸ ብመን ከም ዝኣመንኩ እፈልጥ እየ፡ ነቲ ገንዘብ ሕድሪውን ክሳዕ እታ መዓልቲ እቲኣ ምሕላዉ ኸም ዝከኣሎ ተረዲአዮ ኣሎኹ እሞ፡ ኣይሓፍርን እየ። 13ነቲ ካባይ ዝሰማዕካዮ ጥዑይ ቃል ከኣ በቲ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ዘሎ እምነትን ፍቕርን ንምሳሌ ሓዞ። 14ነቲ እተቐበልካዮ ጽቡቕ ሕድሪ በቲ ኣባና ሓዲሩ ዘሎ መንፈስ ቅዱስ ሓልዎ።
15እቶም ኣብ እስያ ዘለዉ ዅላቶም፡ ካባታቶም ከኣ ፍጌሎስን ህርሞጌኔስን፡ ከም ዝኸድዑኒ፡ እዚ ትፈልጥ ኣሎኻ። 16-17ኦኔሲፎሮስ ናብ ሮሜ መጺኡ፡ ኣዝዩ ደለየንን ረኸበንን፡ ብዙሕ ሳዕ ኣፈሽሒዉለይ፡ በቲ መቝሐይውን ኣይሓፈረን እሞ፡ እግዚኣብሄር ንቤቱ ምሕረት ይሃብ። 18በታ መዓልቲ እቲኣ ምሕረት ካብ ጐይታ ክረክብ፡ እግዚኣብሄር ይሃቦ። ኣብ ኤፌሶን ክንደይ ከም ዘገልገለኒውን፡ ካባይ ዝበልጽ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ።
2ይ ጢሞቴዎስ ምዕራፍ 2
1ኣታ ወደየ፡ እምብኣርሲ በቲ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ዘሎ ጸጋ ደልድል። 2እዚ ኣብ ቅድሚ ብዙሓት ምስክር ካባይ ዝሰማዕካዮ ድማ ንኻልኦት ክምህሩ ንዝከኣሎም እሙናት ሰብ ሕድሪ ሃቦም። 3ከም ንፉዕ ናይ ክርስቶስ የሱስ ዓቀይታይ ምሳይ ኴንካ መከራ ጽገብ። 4ዓቀይታይ ናብ ኵናት ከይዱስ፡ ነቲ ዘዐቀዮ ምእንቲ ኸስምሮ ኢሉ፡ ብናይ መነባብሮኡ ዝጠላለፍ የልቦን። 5ከምእውን ሓደ ኣብ ስፍራ መቃለሲ ዀይኑ ዝቃለስ፡ ከምቲ ሕጉ ገይሩ እንተ ዘይተቓለሰ፡ ኣኽሊል ዓወት ኣይረክብን እዩ። 6እቲ ዝዓዪ ሓረስታይ ካብቲ ፍረ ቕድም ግዲኡ ኽወስድ ይግብኦ እዩ። 7እግዚኣብሄር ብዅሉ ኣእምሮ ኽህበካ እዩ እሞ፡ ነዚ ዝብሎ ዘሎኹ ኣስተብህሎ።
8ነቲ ኸም ወንጌለይ ካብ ዘርኢ ዳዊት ዝዀነ ካብ ምዉታትውን ዝተንስአ የሱስ ክርስቶስ ዘክሮ። 9ብዛዕባኡ ኸም ገባር ክፉእ ተቘጺረ ኽሳዕ መቝሕ ሓሳረ መከራ እጸግብ ኣሎኹ፡ ግናኸ እቲ ቓል ኣምላኽሲ ኣይእሰርን እዩ። 10ስለዚ ምእንቲ እቶም ሕሩያት፡ ንሳቶም ድማ እቲ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ዘሎ ምድሓን ምስ ናይ ዘልኣለም ክብሪ ምእንቲ ክረኽቡ፡ ንዅሉ እዕገስ ኣሎኹ። 11እሙን ቃል እዩ፡ ምስኡ እንተ ሞትናስ፡ ምስኡ ኸኣ ብህይወት ክንነብር ኢና። 12እንተ ተዓገስና፡ ምስኡ ኸኣ ክንነግስ ኢና። እንተ ኸሓድናዮ፡ ንሱውን ክኽሕደና እዩ። 13ንሕና እንተ ጠለምናዮ፡ ንሱ ንርእሱ ክኽሕድ ኣይከኣሎን እዩ እሞ፡ እሙን ኰይኑ እዩ ዝነብር።
14ነቶም ዝሰምዕዎ ዘስሕቶም፡ ረብሓ ብዘይብሉ ቓል ከይብኣሱ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እናመስከርካ፡ እዚ ኣዘክሮም። 15ንርእስኻ እቲ ቓል ሓቂ ብቕንዕና ዘማቕል፡ ዘሕፍር ዘይብሉ ፍቱን ዓያዪ ጌርካ፡ ንኣምላኽ ከተርእዮ ጽዓር። 16ነቲ ፍረ ዘይብሉ፡ ርኹስ ዘረባ ግና ኣግልሰሉ። ናብ ረሲእነት እናገደዱ ይኸዱ እዮም እሞ፡ 17እቲ ዘረባኦም ከም መንሽሮ እናለሓመ ዝባላዕ እዩ። ሄሜኔዎስን ፊሌጦስን ካባታቶም እዮም። 18ንሳቶም፡ ትንሳኤ ቕድሚ ሕጂ ዀይኑ፡ እናበሉ ኻብ ሓቂ ዘምቢሎም፡ እምነት ሓያሎ ሰባት ይገላብጡ ኣለዉ። 19እቲ ጽኑዕ መሰረት ኣምላኽ ግና ቈይሙ ኣሎ፡ እዚ ማሕተም እዚውን ኣለዎ፡ እግዚኣብሄር ነቶም ናቱ ዘበሉ ይፈልጦም እዩ፡ ስም እግዚኣብሄር ዝሰሚ ዘበለ ዅሉ ኸኣ ካብ ዓመጻ ይርሓቕ።
20ግናኸ ኣብ ዓብዪ ቤት ካብ ዕንጨይትን መሬትን ዝዀነ ኣቓሑ ድማ እምበር፡ ኣቕሑ ወርቅን ብሩርን ጥራይ ኣይኰነን ዝርከብ፡ ገሊኡ ንኽብረት ገሊኡውን ንውርደት ይኸውን። 21እምብኣርሲ ሓደ እኳ ርእሱ ኻብ እዚኣቶም እንተ ኣጽረየ፡ ንሱ ኣቕሓ ኽብሪ እተቐደሰ፡ ንተግባር ብዓል ቤት ዝጠቅም፡ ንሰናይ ግብሪ ዘበለ እተዳለወ ይኸውን እዩ።
22ካብ ትምኒት ጕብዝና ህደም፡ ምስቶም ብንጹህ ልቢ ንእግዚኣብሄር ዝጽውዕዎ ኸኣ ኣሰኣሰር ጽድቅን እምነትን ፍቕርን ሰላምን ስዓብ። 23ነቲ ክርክር ዕሽነትን ላግጽን ግና፡ ባእሲ ኸም ዘምጽእ ፈሊጥካ፡ እበዮ። 24ባርያ እግዚኣብሄር ንዅሉ ለዋህ፡ መሃሪ፡ ዕጉስ ክኸውን እምበር፡ ክብኣስ ኣይግብኦን እዩ። 25ምናልባሽ እግዚኣብሄር ንሓቂ ምእንቲ ክፈልጥዋ ኢሉ፡ ንስሓ እንተ ሃቦም፡ ንሱ ነቶም ተጻረርቲ ብህድኣት እናገንሖም፡ 26ፍቓድ ኣምላኽ ክገብሩ ኢሉ ምስ ኣውጽኦም፡ ንሳቶም ካብ መፈንጠራ ድያብሎስ ኣምሊጦም ናብ ልቦም ይምለሱ እዮም።
2ይ ጢሞቴዎስ ምዕራፍ 3
1ኣብተን ዳሕሮት መዓልታት ግና ክፉእ ዘመን ከም ዝመጽእ፡ እዚ ፍለጥ። 2ሽዑ ሰባት ፈተውቲ ርእሶም ክዀኑ እዮም እሞ፡ ፈተውቲ ገንዘብ፡ ተጀሃርቲ፡ ዕቡያት፡ ተጻረፍቲ፡ ንወለዶም ዘይእዘዙ፡ ዘየማስዉ፡ ርኹሳት፡ 3ፍቕሪ ንስድራ ቤቶም እኳ ዘይብሎም፡ ተቐየምቲ፡ ሓመይቲ፡ ቀለልቲ፡ ጨካናት፡ ሰናይ ዘይፈትዉ፡ 4ኣሕሊፎም ዝህቡ፡ ህዉኻት፡ ተፈኽነንቲ፡ ካብ ንኣምላኽ ምፍቃርሲ ኣዕዚዞም ተድላ ዝፈትዉ፡ 5-7እቶም መልክዕ ኣምልኾ ዘለዎም፡ ነቲ ሓይሉ ግና ዝኽሕድዎ፡ ናብ ኣባይቲ ህሩግ እናበሉ፡ ሓጢኣት ዝመልአንን ብብዙሕ ትምኒት ዝድፍኣን፡ ኵሉ ሳዕ ዝምሃራ ናብቲ ፍልጠት ሓቂ ክበጽሓ ግና ከቶ ዘይከኣለን ኣንስቲ ዝማርኹ፡ ካብ እዚኣቶም እዮም እሞ፡ ካብ እዚኣቶምውን ርሓቕ። 8ከምቲ እያኔስን እያምብሬስን ንሙሴ እተቓወምዎ፡ እቶም ኣእምሮኦም ዝጠፍአ፡ ብእምነት ዘይተፈተኑ ሰባት ድማ ከምኡ ነታ ሓቂ ይቃወምዋ ኣለዉ። 9ግናኸ ከምቲ ናይ እቲኣቶም ዝዀነ ኸኣ፡ እቲ ዕሽነቶም ንዅሉ ኽግለጽ እዩ እሞ፡ ካብኡ ሓሊፎም ኣየስልጡን እዮም።
10ንስኻ ግና ንትምህርተይ፡ ንንብረተይ፡ ንፍቓደይ፡ ንእምነተይ፡ ንዓቕለይ፡ ንትዕግስተይ ኣጸቢቕካ ሰዓብካ። 11ኣብ ኣንጾክያን ኢቆንዩምን ልስጥራን ብዝበጽሓኒ ስደተይ፡ መከራይ፡ ከምዚ ዝበለ ስደት ጾርኩ፡ ጐይታ ግና ካብ ኵሉ ኣድሓነኒ። 12ግናኸ እቶም ብክርስቶስ የሱስ ብፍርሃት እግዚኣብሄር ክነብሩ ዝደልዩ ዅሎም ክስጐጉ እዮም። 13እቶም እኩያት ሰባትን ጠበርትን ግና እናኣስሓቱን እናሰሓቱን ናብ ዝገደደ ክበጽሑ እዮም። 14-15ንስኻ ግና ካብ እንመን ከም እተመሃርካ ፈሊጥካ፡ ነተን ካብ ቍልዕነትካ ጀሚርካ ብእምነት ብክርስቶስ የሱስ ንምድሓን ከለብማኻ ዝኽእላ ቅዱሳት ጽሑፋት ፈሊጥካ፡ በቲ እተምሃርካዮን እተረዳእካዮን ጽናዕ። 16-17እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺሙ ተዳልዩ፡ ፍጹም ምእንቲ ክኸውንሲ፡ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ ንትምህርቲ፡ ንተግሳጽ፡ ንምቕናዕ፡ ንጽድቂ ዝኸውን ምእዳብ ይጠቅም እዩ።
2ይ ጢሞቴዎስ ምዕራፍ 4
1-4ኣእዛኖም ኣስሕይዎም ደኣ፡ ብትምኒት ርእሶም መምህራን ክእክቡ እምበር፡ ነቲ ጥዑይ ትምህርቲ ዘይዕገሱሉ ዘመን ክመጽእ እዩ፡ ሽዑ ኣእዛኖም ካብ ሓቂ ክመልሱ፡ ናብ ጽውጽዋያትውን ክምለሱ እዮም እሞ፡ ብዅሉ ዓቕልን ብምህሮን እቲ ቓል ክትሰብኽ፡ ብግዜኡን ብዘይግዜኡን ከተስምዕ፡ ክትገንሕ፡ ክትቀጽዕ፡ ክትምዕድ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣብ ቅድሚ እቲ ንህያዋንን ምዉታንን ክፈርድ ዘለዎ ክርስቶስ የሱስን በቲ ምግላጽ መንግስቱን አማሕጽነካ ኣሎኹ። 5ንስኻ ግና ብኹሉ ተጠንቀቕ፡ መክራ ጽገብ፡ ግብሪ ወንጌላዊ ግበር፡ ኣገልግሎትካ መልእ። 6ኣነስ ካብ ሕጂ እስዋእ ኣሎኹ፡ እታ መዓልቲ ምስንባተይውን በጺሓ እያ እሞ፡ 7ሰናይ ገድሊ ተጋዲለ፡ እቲ ጕያ ወዲአ፡ ነታ እምነት ሓልየ። 8ደጊምሲ ጐይታይ፡ ንሱ እቲ ጻድቕ ፈራዲ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ዝህበኒ ኣኽሊል ጽድቂ ተነቢሩለይ ኣሎ። እዚ ግና ነቶም ምግሃዱ ዘፍቅሩ ኩላቶም ድማ እዩ እምበር፡ ንኣይ ጥራይ ኣይኰነን።
9ቀልጢፍካ ናባይ ክትመጽእ ፍጠን። 10ዴማስ፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ፈትይዋ እዩ እሞ፡ ሓደገኒ ናብ ተሰሎንቄውን ከደ። ክሬስኬስ ናብ ገላትያ፡ ቲቶስ ናብ ደልማይታ ከዱ። 11ሉቃስ ጥራይ ምሳይ ኣሎ፡ ማርቆስ ንዕዮ ይጠቕመኒ እዩ እሞ፡ ተማልኣዮ፡ ምሳኻ ይምጻእ። 12ንጥኪቆስ ግና ናብ ኤፌሶን ሰዲደዮ ኣሎኹ። 13ክትመጽእ ከሎኻ፡ እቲ ኣብ ጥሮኣስ ምስ ቃርጶስ ዝሓደግክዎ ባርኖስን እቲ መጻሕፍትን፡ ምናዳ እቲ ብራናታት፡ ተማልኣለይ። 14እስክንድሮስ፡ እቲ ኣንጠረኛ፡ ብዙሕ ክፉእ ገይሩኒ። እግዚኣብሄር ከምታ ግብሩ ኽፈድዮ እዩ። 15ንሱ፡ ነቲ ቓልና ብዙሕ ይጻረሮ እዩ እሞ፡ ንስኻ ድማ ካብኡ ተሓሎ። 16ኣብቲ ቐዳማይ ምጕተይ፡ ኣይሓዘሎም፡ ኵላቶም ጠለሙኒ እምበር፡ ሓደ እኳ ምሳይ ኣይነበረን። 17እቲ ስብከት ብኣይ ምእንቲ ኽምላእ፡ ኵሎም ኣህዛብውን ምእንቲ ኽሰምዑ ግና፡ ጐይታ ቘመለይ፡ ኣበርትዓኒ፡ ካብ ኣፍ ኣንበሳውን ኣናገፈኒ። 18እግዚኣብሄር ካብ እኩይ ግብሪ ዘበለ ኸናግፈኒ፡ ናብታ ሰማያዊት መንግስቱ ኽኣቱውን ከድሕነኒ እዩ። ንእኡ ኻብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ክብሪ ይኹኖ። ኣሜን። 19ንጵርስኪላን ንኣኪላስን ንቤት ኦኔሲፎሮስን ሰላም በለለይ። 20ኤራስጦስ ኣብ ቈረንቶስ ተሪፉ፡ ንጥሮፊሞስ ግና ሓሚሙ ኣብ መሊጦስ ሓዲገዮ ኣሎኹ። 21ቅድሚ ኽረምቲ ንምምጻእ ፍጠን። ኤውቡሎስን ጱደንስን ሊኖስን ቅላውድያን ኵላቶም ኣሕዋትን ሰላም ይብሉኻ ኣለዉ። 22ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምስ መንፈስካ ይኹን። ጸጋ ምሳኻትኩም ይኹን። ኣሜን።