1ይቲ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ጢሞቴዎስ

1   2   3   4   5  6

     1ይ ጢሞቴዎስ ምዕራፍ 1
   1ጳውሎስ፡ ብትእዛዝ ኣምላኽ መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስ ተስፋናን፡ ናይ የሱስ ክርስቶስ ሃዋርያ፡ 2ናብ ጢሞቴዎስ፡ ብእምነት ናይ ሓቂ ወደይ። ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ካብ ጐይታና ክርስቶስ የሱስን ጸጋን ምሕረትን ሰላምን ምሳኻ ይኹን።
   3-4እቲ ናብ መቄዶንያ ክኸይድ ከሎኹ፡ ገሊኦም ካልእ ምህሮ ኸይምህሩ ወይስ ናብ ጽውጽዋያትን መወዳእታ ናብ ዘይብሉ ቝጽሪ ወለዶታትን ከየድህቡ ኽትእዝዝ፡ እዚ ኣብ ክንዲ እቲ ብመጋቢነት ኣምላኽ እሙን ምዃንሲ ዝበዝሕ ክትዕ የምጽእ እዩ ኢለ፡ ኣብ ኤፌሶን ክትቅመጥ ከም ዝመዓድኩኻ፡ ሕጂውን ከምኡ እብል ኣሎኹ። 5እታ መደምደምታ ትእዛዝ ግና ፍቕሪ ኻብ ንጹህ ልቢ፡ ካብ ሰናይ ሕሊና፡ ካብ ልግሚ ዘይብላ እምነት እያ። 6ገሊኦም ካብዚ ዘምቢሎም ናብ ዘረባ ሃተውተው ተመሊሶም፡ 7ነቲ ዝብልዎ ወይስ ነቲ ዘረድእዎ ዘየስተውዕልዎ ኽነሶምሲ፡ መምህራን ሕጊ ክዀኑ እዮም ዝደልዩ። 8ግናኸ ነቲ ሕጊ ብመገዲ ሕጊ እንተ ገበርዎስ፡ ሰናይ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና። 9ሕጊ ንመፍረስቲ ሕጊ እምበር፡ ንጻድቕ ከም ዘይተሰርዐ፡ ካብ ፈለጥናስ፡ ንዘይእዙዛትን ኣምላኽ ንዘይፈርሁን ንሓጥኣንን ንርኹሳትን ንቐለልትን ንቐተልቲ ኣቦኦምን ንቐተልቲ ኣዲኦምን፡ ንቐተልቲ ነፍሲ፡ 10ነመናዝር፡ ግብሪ ሰዶም ንዝገብሩ፡ ንሸየጥቲ ሰብ፡ ንሓሰውቲ፡ ብሓሶት ንዝምሕሉ፡ ሓደ ኻልእውን ምስቲ ጥዑይ ትምህርቲ ዝጻረር እንተሎ፡ ንኣታቶም እዩ። 11እዚውን ከምቲ ንኣይ ሕድሪ እተዋህበ ወንጌል ናይቲ ብሩኽ ኣምላኽ ክብሪ እዩ።
   12ኣነ ነቲ ሓይሊ ዝሃበኒ ክርስቶስ የሱስ ጐይታና ነገልግሎቱ መዲቡ፡ እሙን ክኸውን ስለ ዘብቅዓኒ፡ ኣመስግኖ ኣሎኹ። 13ኣነ ቐደም ጸራፍን ሰጓጕን ገፋዕን ነይረ ኽነሰይሲ፡ ከይፈለጥኩ ብዘይ ምእማን ስለ ዝገበርክዎ፡ ምሕረት ረኸብኩ። 14ጸጋ ጐይታና ምስቲ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ዘሎ እምነትን ፍቕርን ብዘይ ልክዕ ዓዘዘ። 15ክርስቶስ የሱስ ነቶም ኣነ ዝቐዳማዮም ሓጥኣን ከድሕን ከም ዝመጸ፡ እዚ ቓል እዚ እሙን እዩ፡ ምቕባሉውን ብዅሉ ግቡእ እዩ። 16ግናኸ የሱስ ክርስቶስ ነቶም ናብ ዘለኣለም ህይወት ክበጽሑ ኢሎም ብእኡ ዝኣምኑ ንኣርኣያ ዅሉ ትዕግስቱ ቕድም ኣባይ ምእንቲ ኸርኢ፡ በዚ ምኽንያት እዚ እየ ኣነ ምሕረት ዝረኸብኩ። 17እምብኣርስ ነቲ ናይ ዘለኣለም ንጉስ፡ ዘይሓልፍ፡ ዘይርአ ሓደ ኣምላኽ ንዘለኣለም ኣለም ክብርን ስብሓትን ይኹኖ። ኣሜን።
   18-19ኣታ ጢሞቴዎስ ወደይ፡ ከምቲ ቐደም እተባህለካ ትንቢታት እምነትን ሰናይ ሕልናን ሒዝካ ብእኡ ጽቡቕ ውግእ ምእንቲ ኽትዋጋእ፡ እዚ ትእዛዝ እዚ አማዕቍበካ ኣሎኹ። ገሊኦም ነቲ ሰናይ ሕልናኦም ደርብዮምሲ፡ ናይ እምነት መርከብ ተሰቢራቶም እያ። 20ካባታቶም፡ ከይጸርፉ ምእንቲ ክቕጽዑ ኢለ ንሰይጣን ዝወፈኽዎም፡ ሄሜኔዎስን እስክንድሮስን እዮም።
          1ይ ጢሞቴዎስ ምዕራፍ 2
   1-2እምብኣርከ ስለ ዅሉ ሰብ፡ ብዅሉ ኣምልኾን ምርዛንን ሃዲእና ብዘይ ህውከት ምእንቲ ኽንነብርሲ፡ ስለ ነገስታትን ስለ ዅሎም መኳንንትን ልማኖን ጸሎትን ምህልላን ምስጋናን ክግበር፡ ቅድሚ ዅሉ እምዕድ ኣሎኹ። 3-4እዚ ኣብ ቅድሚ እቲ ዅሉ ሰብ ክድሕን ናብ ፍልጠት ሓቂውን ክመጽእ ዝፈቱ እግዚኣብሄር መድሓኒና ጽቡቕን ቅቡልን እዩ። 5ማለት፥ ኣምላኽ ሓደ በይኑ እዩ እሞ እቲ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ሰብን ዘሎ ማእከላይውን፡ እቲ ሰብ፡ ክርስቶስ የሱስ፡ ሓደ በይኑ እዩ። 6ብግዜኡ ንዝኸውን ምስክር ንሱ ኣብ ክንዲ ዅሉ ክኸውን ኢሉ ነፍሱ በጃ ሃበ፡ 7ነዚ ነገርዚ ኸኣ ኣነ ኣዋጅን ሃዋርያን፡— ሓቂ እብል ኣሎኹ፡ ኣይሕሱን እየ፡— ብእምነትን ብሓቅን መምህር ኣህዛብ ንምዃን ተሸምኩ።
   8እምብኣርሲ ሰብኡት ብዘይ ኵራን ውልውልን ቅዱሳት ኣእዳው ኣልዒሎም፡ ኣብ ኵሉ ስፍራ ክጽልዩ፡ እደሊ ኣሎኹ። 9-10ኣንስቲውን ከምኡ ብስሩሕ ርእስን ብወርቂ ወይስ በዕናቝ ወይስ ብብዙሕ ዝዋጋኡ ኽዳውንቲ ዘይኰነስ፡ ብግቡእ ክዳውንትን ብሕንክን ብምቕጻዕ ነፍስንን፡ ፍርሃት እግዚኣብሄር ንዘለወን ኣንስቲ ኸም ዝግባእ፡ ብሰናይ ግብሪ ኽስለማ፡ እደሊ ኣሎኹ። 11ሰበይቲ ብዅሉ እናተኣዘዘት ደኣ ብህድኣት ትመሃር። 12-13ኣዳም ቅድም ተፈጢሩ እዩ፡ ደሓር ከኣ ሄዋን እሞ፡ ሰበይቲ ብህድኣት ክትነብር ደኣ እምበር፡ ክትምህር ወይስ ኣብ ሰብኣይ ስልጣን ክህልዋ፡ ኣይፈቅድን እየ። 14ኣዳም ኣይተሓብለን፡ ሰበይቲ ግና ተሓቢላ ኣብ ኣበሳ በጽሐት። 15ብእምነትን ብፍቕርን ብቕድስናን ምስ ምቕጻዕ ነፍሲ እንተ ጸኒዓ ግና፡ ብምውላድ ውሉድ ክትድሕን እያ።
       1ይ ጢሞቴዎስ ምዕራፍ 3
    1እዚ ቓል እዚ እሙን እዩ፡ ሓደ እኳ መዓርግ ኤጲስቆጶስ እንተ ደለየ፡ ሰናይ ግብሪ ይምነ ኣሎ። 2እምብኣርሲ እቲ ኤጲስቆጶስ መንቅብ ዘይብሉ፡ ሰብኣይ ሓንቲ ሰበይቲ፡ ጥንቁቕ፡ ቀጻዕ ነፍሱ፡ ኣገባብ ዝፈልጥ፡ ተቐባል ጋሻ፡ ንምስትምሃር ብቑዕ ክኸውን ይግባኦ። 3ዘይሰክር፡ ዘይዋቓዕ፡ ግናኸ ልኡም፡ ዘይብኣስ፡ ፈታው ገንዘብ ዘይኰነ። 4-5ነታ ቤቱ ኸስተናብራ ኻብ ዘይክእል ግና፡ ነታ ማሕበር ኣምላኽ ደኣ ኸመይ ገይሩ ኽኣልያ ይዀነሉ፧ ስለዚ ቤቱ ጽቡቕ ገይሩ ዘስተናብርን፡ ብዅሉ ምርዛን እዙዛት ውሉድ ዘለውዎን ይኹን። 6ተነፊሑ ናብ ፍርዲ ድያብሎስ ምእንቲ ኸይወድቕ፡ ሓድሽ ተኽሊ ኣይኹን። 7ኣብ ጸርፍን መፈንጠራ ድያብሎስን ምእንቲ ኸይወድቕ ከኣ፡ ካብቶም ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ጽቡቕ ምስክር ክህልዎ ይግባእ።
   8-9ዲያቆናትውን ከምኡ፡ ነቲ ምስጢር እምነት ኣብ ንጹህ ሕልና ሒዞም፡ ረዘንቲ፡ ሰብ ክልተ ልሳን ዘይኰኑ፡ ብዙሕ ወይኒ ንምስታይ ዘይድህቡ፡ ርኹስ ረብሓ ዘይደልዩ ክዀኑ ይግባእ። 10እዚኣቶምውን ቅድም ይመርመሩ፡ መንቅብ ዘይብሎም እንተ ዀኑ፡ ሽዑ የገልግሉ። 11ኣንስቲውን ከምኡ ረዘንቲ፡ ዘይሓምያ፡ ጥንቁቓት፡ ብዅሉውን እሙናት ክዀና ይግባእ። 12-13እቶም ዲያቆናት ኣጸቢቖም ምስ ኣገልገሉ፡ ዓብዪ መዓርግን ብእምነት የሱስ ክርስቶስን ብዙሕ ትብዓትን ይረኽቡ እዮም እሞ፡ ሰብ ሓንቲ ሰበይቲ፡ ደቆምን ኣባይቶምን ኣጸቢቆም ዘስተናብሩ ይኹኑ።
   14ናባኻ ቐልጢፈ ኸም ዝመጽእ ተስፋ እናገበርኩ፡ እዚ እጽሕፈልካ ኣሎኹ፡ 15እንተ ደንጔኹ ግና፡ ኣብታ ቤት ኣምላኽ፡ ማለት፡ ናይታ ሓቂ ዓንድን መሰረትን ዝዀነት ማሕበር ህያው ኣምላኽ፡ ከመይ ክትገብር ከም ዝግብኣካ ኽትፈልጥ እፈቱ ኣሎኹ። 16ብሓቂ እቲ ምስጢር ኣምልኾ ዓብዪ እዩ፥ ንሱ እቲ ብስጋ እተገልጸ፡ ብመንፈስ ጸደቐ፡ ንመላእኽቲ ተራእየ፡ ኣብ ኣህዛብ ተሰብከ፡ ኣብ ዓለም ተኣምነ፡ ናብ ክብሪ ዓረገ።
ዝ/ምዕ    ብ/ኪ   ሓ/ኪ
         1ይ ጢሞቴዎስ  ምዕራፍ 4
   1በቲ ዳሕራይ ዘመናት ግና ገሊኦም እምነቶም ክሒዶም፡ ንመናፍስቲ ስሕተት ንምህሮ ኣጋንንትን ከም ዝስዕቡ፡ እቲ መንፈስ ብግሁድ ይብል ኣሎ። 2ብግብዝና እቶም ሕልናኦም ከም ብመዓለም እተዓለመ፡ ሓሶት ዝዛረቡ ሰባት፡ 3መውስቦ እናኸልከሉስ፡ እቶም ኣመንትን ሓቂ ዝፈለጡን፡ ብምስጋና ክቕበልዎ ኢሉ ኣምላኽ ዝፈጠሮ ብልዒውን ሰብ ክሓርሞ ይእዝዙ ኣለዉ። 4-5እቲ ፍጥረት ኣምላኽ ብዘሎ ጽቡቕ እዩ እሞ፡ ብምስጋና እንተ ተቐበልካዮ፡ በቲ ቓል ኣምላኽን ጸሎትን ዝቕደስ ስለ ዝዀነ፡ ገለ እኳ ዝድርበ የብሉን።
   6ነቶም ኣሕዋት እዚ እንተ ኣርኣኻዮም፡ ቃል እምነትን እቲ ተኣሚንካ ዝሰዓብካዮ ጽቡቕ ምህሮን እተመገበ ሕያዋይ ኣገልጋሊ የሱስ ክርስቶስ ክትከውን ኢኻ። 7ግናኸ ንነገር ቅለትን ንዕላል ኣንስትን ካባኻ ኣርሕቆ። ንርእስኻ ግና ኣምልኾ ኣልምዳ። 8እቲ ስጋዊ ምልማድ ንቕሩብ ነገር እዩ ዝጠቅም፡ ኣምልኾ ግና ንዅሉ ይጠቅም፡ ነዛ ሕጂ ዘላ ህይወት እዚኣን ነታ እትመጽእን ከኣ ተስፋ ኣለዎ። 9እዚ ቓልዚ እሙን እዩ፡ ምቕባሉውን ብዅሉ ግቡእ እዩ። 10በቲ ንዅሉ ሰብ፡ ምናዳ ንኣመንቲ፡ ዘድሕን ህያው ኣምላኽ ተስፋ ስለ ዝገበርና ኢና እንዓይን እንጽዕርን ዘሎና። 11እዚ ኣዝዝን ምሃርን። 12ነቶም ኣመንቲ ብቓል፡ በካይዳ፡ ብፍቕሪ፡ ብእምነት፡ ብንጽህናውን ኣርኣያ ኹኖም እምበር፡ ነታ ንእስነትካ ሓደ እኳ ኣይንዓቃ። 13ኣነ ኽሳዕ ዝመጽእ፡ ናብ ምንባብን ምምዓድን ምምሃርን ኣቕልብ። 14ነቲ ብትንቢት ብምንባር ኢድ ሽማግለታትን እተዋህበካ፡ ኣባኻ ዘሎ ውህበት ጸጋ ዕሽሽ ኣይትበሎ። 15እዚ ኣጸቢቕካ ሕሰብ፡ እናወሰክካ ትኸይድ ከም ዘሎኻ፡ ኣብ ዅሉ ምእንቲ ኽግለጽሲ፡ ነዚ ነገርዚ ብምሉእ ርእስኻ ወፊ። 16ንርእስኻን ንትምህርትኻን ተጠንቀቕ፡ በዚ ነገርዚ ጽናዕ። እዚ እንተ ገበርካስ፡ ንርእስኻን ነቶም ዝሰሞዑኻን ከተድሕን ኢኻ።
          1ይ ጢሞቴዎስ ምዕራፍ 5
   1ንኣረጊት ሰብኣይ ከም ነቦ ምዓዶ እምበር፡ ኣይትዝብሓዮ። ነቶም መንእሰይ ከም ነሕዋት ምዓዶም። 2ንኣረገውቲ ኣንስቲ ኸም ነዴታት፡ ነተን ናእሽቱ ኣንስቲ ኸም ንኣሓት ጌርካ ብዅሉ ንጽህና ምዓደን። 3ነተን መበለታት፡ ብሓቂ መበለታት ዝዀና ኣኽብረን። 4ገለ መበለት ግና ደቂ ወይስ ደቂ ደቂ እንተ ኣለውዋ፡ እዚ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅቡል እዩ እሞ፡ ንሳቶም ቅድም ንስድራ ቤቶም ፍርሃት እግዚኣብሄር ከርእዩ ንወለዶምውን ውሬታ ኽመልሱ ይምሃሩ። 5እታ ንበይና እትነብር፡ ተስፋኣ ኣብ እግዚኣብሄር እትገብር፡ ብሓቂ መበለት ዝዀነት ግና፡ ለይትን መዓልትን ብልማኖን ጸሎትን እያ እትጸንዕ። 6እታ ሕንቅቕቲ ግና፡ ብህይወታ ኸላስ ምውቲ እያ። 7ብዘይ መንቅብ ምእንቲ ክዀኑስ፡ እዚ ድማ ኣዝዝ። 8ሓደ እኳ ነቶም ናቱ፡ ምናዳ ግና ንስድራ ቤቱ፡ ዘይሓሊ እንተሎ፡ እምነት ዝኸሓደ ካብቲ ዘይኣምንውን ዝገደደ እዩ።
   9-10ብሰናይ ግብሪ እተመስከረላ፡ ውሉድ ዘዕበየት፡ ጋሻ እተቐበለት፡ እግሪ ቅዱሳን ዝሓጸበት፡ ንዝጸበቦም ዘርሃወት፡ ሰናይ ግብሪ ዘበለ ዝሰዓበት፡ ካብ ስሳ ዓመት ዘይነኣሰት፡ ሰበይቲ ሓደ ሰብኣይ ዝነበረት ከም መበለት ኰይና ትቈጸር። 11ሓያማት ግና ንክርስቶስ ተጻሪረን ፍትወት ስጋ ምስ ተላዕለን፡ ክምርዓዋ እየን ዝደልያ እሞ፡ ንኣታተን ኣርሕቀን። 12ንሳተን፡ ነታ ቐዳማይቲ እምነተን ስለ ዝጠለማ፡ ፍርዲ ኣለወን። 13ኣብ ልዕሊዝውን ቤተ ቤት እናዞራ ምብኳር ዕዮ እየን ዝምህራ፡ ዘይግባእ እናተዛረባውን መብዛሕቲ ኣፍን ወልፋሳትን ይዀና እምበር፡ ምብኳር ዕዮ ጥራይ ኣይኰናን። 14እምብኣርሲ እተን ሓያማት ክምርዓዋ፡ ውሉድ ክወልዳ፡ ቤተን ክሕዛ፡ ጸላኢ ዝጸርፈሉ ሓደ ምኽንያት እኳ ኸይህባ፡ እደሊ ኣሎኹ። 15ገሊአንሲ ድሮ እኳ ዘምቢለን፡ ደድሕሪ ሰይጣን ስዒበን ኣለዋ። 16ንሓደ ኣማኒ ወይስ ኣማኒት፡ መበለታት እንተ ኣለዋኦም፡ ባዕላቶም ይሕለዩለን፡ ነተን ብሓቂ መበለታት ዝዀና ምእንቲ ኽትሓሊ፡ ነታ ማሕበር ኣየኽብዱላ።
   17-18እቲ ጽሑፍ፡ ኣፍ እቲ ዘኽይድ ብዕራይ ኣይትእሰር፡ ድማ፥ ንዓያዪ ውዕለቱ ይግብኦ እዩ፡ ይብል እዩ እሞ፡ ነቶም ጽቡቕ ዘገልግሉ ሽማግለታት፡ ምናዳ ነቶም ብቓልን ብምህሮን ዝጽዕሩ፡ ዕጽፊ ኽብሪ ይግብኦም እዩ። 19ብናይ ሽማግለ ኸኣ፡ ብምስክር ክልተ ወይ ሰለስተ እንተ ዘይኰይኑስ፡ ክሲ ኣይትቀበል። 20ነቶም ሓጢኣት ዝገበሩውን፡ እቶም ካልኦት ምእንቲ ኽፈርሁ፡ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ግንሓዮም። 21ተቐዳዲምካ ኸይፈረድካን ሓንቲ እዃ በድልዎ ኸይገበርካን፡ እዚ ኽትሕሉ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣብ ቅድሚ ክርስቶስ የሱስን ኣብ ቅድሚ እቶም ሕሩያት መላእኽትን እምሕጸነካ ኣሎኹ። 22ብታህዋኽ ኣብ ሓደ እኳ ኢድካ ኣይተንብር፡ ኣብ ሓጢኣት ካልኦትውን ኣይትጸምበር። ንርእስኻ ብንጽህና ሓሉ። 23ደጊም ስለ ከብድኻን ስለቲ ዝመላለሰካ ዘሎ ሕማምንሲ፡ ሒደት ወይኒ ደኣ እምበር፡ ማይ ጥራይ ኣይትስተ። 24ሓጢኣት ገሊኦም ሰባት ግሁድ እዩ፡ ናብ ፍርዲ ኸኣ ይቕድሞም። ናይ ገሊኦም ግና ይስዕቦም እዩ። 25ከምኡ ኸኣ እቲ ሰናይ ግብሪ ግሉጽ እዩ፡ እቲ ዘይግሉጽውን ክስወር ኣይከኣሎን እዩ።
        1ይ ጢሞቴዎስ ምዕራፍ 6
   1እቶም ኣብ ትሕቲ ኣርዑት ዘለዉ ዅሎም ባሮት ከኣ፡ ስም ኣምላኽን እቲ ምህሮን ምእንቲ ኸይጽረፍሲ፡ ነቶም ጐይተቶም ክብረት ዘበለ ኸም ዝግብኦም ይቝጸርዎም። 2እቶም ኣመንቲ ጐይተት ዘለዎም ድማ፡ ኣሕዋቶም ብምዃኖም ኣይንዓቕዎም፡ እቶም በቲ ጽቡቕ ዕዮኦም ዝጥቀሙ ዘለዉ ኣመንትን ፍቁራትን ብምኳኖም እባ ደኣ ኣብዚሖም ይገዝእዎም። እዚ ነገርዚ ምሃርን ምዓድን።
   3ሓደ እኳ ኻልእ ምህሮ እንተ መሃረ፡ በቲ ጥዑይ ቃል ጐይታና የሱስ ክርስቶስ በቲ ኣምልኾ ዘለዎ ምህሮን እንተ ዘይተታሕዘ፡ 4-5ንሱ ብኽትዕን ብዘብእስ ዘረባን ሓሚሙ እዩ እምበር፡ ሓንቲ እኳ ዘይፈልጥ ንፉሕ እዩ። ካብዚ እዩ ቕንኢ፡ ባእሲ፡ ጸርፊ፡ ሕሱም ጥርጥር፡ ናይቶም ሓሳቦም ዝጠፍአን ሓቂ ዝሰኣኑን ሰባት ብርቱዕ ጽልኢ ዝመጽእ፡ ካብ ከምዚኣቶም ዘመሰሉ ርሓቕ። እዚኣቶም ኣምልኾስ መገባብሮ ረብሓ ኸም ዝዀነ እዩ ዝመስሎም። 6ግናኸ ኣምልኾ ምስ ይኣኽለኒ ምባል ዓብዪ ረብሓ እዩ። 7ማለት፥ ናብ ዓለም ሓንቲ እኳ ኣየምጻእናን እሞ ሓንቲ ኽንወስድ ኣይከኣለናን እዩ። 8ቀለብናን ክዳንናን እንተ ኣሎናስ፡ ንሱ ይእከለና። 9እቶም ክህብትሙ ዝደልዩ ግና ኣብ ፈተናን መፈንጠራን፡ ኣብ ብዙሕ ንሰብ ናብ ምብራስን ጥፍኣትን ዘስጥሞ ናይ ዕሽነትን ጕድኣትን ትምኒት እዮም ዝወድቁ። 10እቲ ፍቕሪ ገንዘብሲ ሱር ኵሉ ኽፍኣት እዩ እሞ፡ ገሊኦም ንእኡ እናተመጣጠሩ ኻብ እምነት ዘምበሉ፡ ናብ ርእሶምውን ብዙሕ ስቓይ ኣምጽኡ።
   11ኣታ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ንስኻ ግና ካብዚ ህደም እሞ ደድሕሪ ጽድቂ፡ ኣምልኾ፡ እምነት፡ ፍቕሪ፡ ትዕግስቲ፡ ህድኣት ሰዓብ። 12ጽቡቕ ገድሊ እምነት ተጋደል፡ ነታ እተጸዋዕካላ ኣብ ቅድሚ ብዙሓት ምስክርውን ጽቡቕ ምእማን እተኣመንካላ ህይወት ዘለኣለም ሓዛ። 13-14ክሳዕ ምግላጽ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ነቲ ትእዛዝ ብዘይ ርስሓትን መንቅብን ክትሕልዎ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ንዅሉ ህያው ዝገብር ኣምላኽን ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ጶንጥዮስ ጲላጦስ ጽቡቕ ምእምን እተኣመነ ክርስቶስ የሱስን እእዝዘካ ኣሎኹ። 15ብግዝያቱ ዝገልጾ፡ እቲ ብጹእ በይኑ ኸኣ ስልጣን ዘልዎ ንጉስ ነገስታት፡ ጐይታ ጐይተትውን፡ 16ንሱ በይኑ ዘይመውት፡ ሓደ ሰብ እኳ ከቶ ዘይረኣዮ ኽርእዮውን ዘይኽእል፡ ኣብ ዘይቅረብ ብርሃን ዝነብር፡ ንእኡ ኽብርን ናይ ዘለኣለም ስልጣንን ይኹን። ኣሜን።
   17ነቶም ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘለዉ ሃብታማት ከይዕበዩ፡ በቲ ኽንሕጐስ ኢሉ ዅሉ ብልግሲ ዝሃበና ኣምላኽ እምበር፡ በዚ ሓላፊ ሃብቲ ኸይእመኑ ኣዝዞም። 18ገበርቲ ሰናይ ክዀኑ፡ ብሰናይ ግብሪ ኽህብትሙ፡ ለጋሳትን መማቐልትን ክዀኑ፡ 19ናይ ሓቂ ህይወት ምእንቲ ክረኽቡስ፡ ነቲ ዝመጽእ ዘሎ ግዜ ጽቡቕ መሰረት ንርእሶም ክእክቡ ኣዝዞም።
   20-21ኣታ ጢሞቴዎስ፡ ካብቲ፡ ገሊኦም ተኣሚኖምዎ ኻብ እምነት ዘምቢሎም ዘለዉ፡ ብሓሶትሲ ፍልጠት ተባሂሉ ዘሎ ርኹስ ሃተውተውን ክትዕን ርሓቕ። ነቲ ሕድሪ እተዋህበካ ሓልዎ። ጸጋ ምሳኻ ይኹን። ኣሜን።

Leave a Reply

መጽሓፍ ቅዱስ ትግርኛ
ብሉይን ሓድሽን ኪዳን
ብሉይ ኪዳን
ሓድሽ ኪዳን
መጽሓፍ ቅዱስ ትግርኛ
ብሉይን ሓድሽን ኪዳን

ብሉይ ኪዳን

ሓድሽ ኪዳን