ትንቢት ሆሴእ
1 2 3 4 5 6 7 8
9 10 11 12
13 14
ትን.ሆሴእ ምዕራፍ 1
1ብዘመን እቶም ነገስታት ይሁዳ፡ ኡዝያን ዮታምን ኣሃዝን ህዝቅያስን ብዘመን እቲ ንጉስ እስራኤል፡ የሮብዓም ወዲ ዮኣስን ንሆሴእ ወዲ ብኤሪ ዝመጾ ቓል እግዚኣብሄር እዚ እዩ። 2እግዚኣብሄር ብሆሴእ ክዛረብ ምስ ጀመረ፡ እግዚኣብሄር ንሆሴእ፡ እታ ሃገር ካብ እግዚኣብሄር ርሒቓ ዓብዪ ምንዝርና ትምንዝር ኣላ እሞ፡ ኪድ፡ ውሉድ ምንዝርና ዘለውዋ ሰበይቲ ምንዝርና ኣእቱ፡ በሎ።3ከደ እሞ ንጎሜር ጓል ዲብላይም ኣእተወ። ንሳ ኸኣ ጠነሰት ወዲውን ወለደትሉ።4-5እግዚኣብሄር ድማ፡ ድሕሪ ቕሩብ ግዜ ንደም ይዝሬኤል ኣብ ልዕሊ ቤት የሁ ኸውርዶ፡ ንመግስቲ ቤት እስራኤል ከኣ ከጥፍኣ እየ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ንቐስቲ እስራኤል ኣብ ለሰ ይዝሬኤል ክሰባብሮ እየ እሞ፡ ስሙ ይዝሬኤል ኢልካ ስመዮ፡ በሎ።6ከም ብሓድሽ ከኣ ጠነሰት ጓል ድማ ወለደት። በሎውን፡ድሕርዚ ንቤት እስራኤል ይቕረ ኢለ ከቶ ኣይክምሕሮምን እየ እሞ፡ ስማ ሎሩሓማ ኢልካ ስመያ።7ንቤት ይሁዳ ግና ክምሕሮም እየ። ብእግዚኣብሄር ኣምላኾም እየ ዘድሕኖም እምበር፡ ብቐስትን ብሰይፍን ብውግእን በፍራስን ብፈረሰኛታትንሲ ኣየድሕኖምን እየ።8ንሎሩሓማ ጡብ ምስ ኣሕደገታ፡ ጠነሰት ወዲ ኸኣ ወለደት።9እግዚኣብሄር ድማ፡ ንስኻትኩም ህዝበይ ኣይኰንኩምን፡ ኣነውን ናትኩም ኣይክኸውንን እየ እሞ፡ ስሙ ሎዓሚ ኢልካ ስመዮ፡ በሎ። 10ግናኸ ፍቕዲ ደቂ እስራኤል ኸምቲ ኽስፈርን ክፍቀድን ዘይከኣል ሑጻ ባሕሪ ክኸውን እዩ፡ ኣብቲ፡ ህዝበይ ኣይኰንኩምን እተባህለሉ ስፍራ ኸኣ፡ ንስኻትኩም ደቂ ህያው ኣምላኽ ኢኹም፡ ክብልዎም እዮም።11መዓልቲ ይዝሬኤል ዓባይ እያ እሞ፡ ደቂ ይሁዳን ደቂ እስራኤልን ሓቢሮም ክእከቡ፡ ንርእሶም ሓደ ሓለቓ ኽገብሩ፡ ካብታ ሃገርውን ክወጹ እዮም።
ትን.ሆሴእ ምዕራፍ 2
1ነሕዋትኩም፡ ዓሚ፡ ንኣሓትኩም ከኣ፡ ሩሓማ፡ በሉ።
2ኣዴኹም ሰበይተይ ኣይኰነትን፡ ኣነውን ሰብኣያ ኣይኰንኩን እሞ፡ ምስኣ ተኻትዑ፡ ተኻትዑ፡ ምንዝርናኣ ካብ ገጻ፡ ዝሙታ ኸኣ ካብ መንጎ ኣጥባታ ተውጽእ።3እንተ ዘይኰነስ ገፊፈ ኸምታ እተወልደትላ መዓልቲ ጥራያ ኸንብራ፡ ከም ምድረ በዳ ኽገብራ፡ ከም ንቑጽ ምድሪ ኸንብራ፡ ብጽምኢውን ክቐትላ እየ።4ደቃ ድማ ደቂ ምንዝርና እዮም እሞ፡ ኣይክምሕሮምን እየ።5ኣዲኦም መንዚራ እያ እሞ፡ እታ ዝጠነሰቶም ነወረት። ደድሕሪ እቶም እንጌራይን ማየይን ጸምረይን ልሕጺ እንጣጢዐይን ዘይተይን መስተይን ዝሃቡኒ ፈተውተይ ክኸይድ እየ፡ ኢላ እያ እሞ፡6ስለዚ እንሆ፡ ንጐደናኺ ብእሾዅ ክሓጽሮ፡ መገድታታ ከይትረኽቦስ፡ ብቐጽሪ ክቐጽራ እየ።7ደድሕሪ ፈተውታ ኽትጐዪ፡ ግናኸ ኣይከተርክቦምን፡ ክትደልዮም፡ ግናኸ ኣይክትረኽቦምን እያ። ሽዑ ንሳ፡ ካብ ሎሚ ሽዑ ይሕሸኒ ነይሩ እዩ እሞ፡ ክኸይድ ናብቲ ቐዳማይ ሰብኣየይ ክምለስ እየ፡ ክትብል እያ።8ንሳ፡ ስርናይን ወይንን ዘይትን ኣነ ኸም ዝሃብክዋ፡ እቲ ንበዓል ዝገበርዎ ብሩርን ወርቅን ከም ዘብዛሕኩላ፡ ኣይፈለጠትን።9ስለዚ ንስርናየይ ብግዜኡ፡ ንወይነይ ከኣ ብወርሓቱ መሊሰ ኽወስዶ እየ። ነቲ ዕርቃና እትኸድነሉ ጸምረይን ልሕጺ እንጣጢዐይን ድማ ክምንዝዓ እየ።10ሕጂ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ ፈተውታ ሓፍረታ ክቐልዓ እየ፡ ሓደ እኳ ካብ ኢደይ ዘድሕና የልቦን።11ኵሉ ሓጐሳን በዓላታን ሰርቂ ወርሓን ሰናብታን ኵሉ ዓበይቲ በዓላታን ከጥፍእ እየ።12ነቲ፡ ፈተውተይ ዝሃቡኒ ደመወዘይ እዚ እዩ፡ ዝበለቶ ተኽሊ ወይናን ኦም በለሳን ከብርሶ፡ ዱር ከኣ ክገብሮ እየ፡ ኣራዊት መሮርውን ክበልዕዎ እዮም።13ብምኽንያት እተን ንበዓላት ዝዓጠነትለን መዓልትታት ክቐጽዓ እየ፡ ብቐለቤታን ብስልማታን ተጋይጽ፡ ደድሕሪ ፈተውታን ትስዕብ ነበረት፡ ንኣይ ግና ረስዓትኒ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
14ስለዚ እንሆ፡ ኣነ ኽሓባብላ፡ ናብ በረኻ ኽወስዳ፡ ንልባ ኸኣ ክዛረብ እየ።15ካብኡ ኣታኽልቲ ወይና፡ ለሰ ኣኮር ከኣ ከም ደገ ተስፋ ክህባ እየ። ኣብኡ ኸምቲ ብመዓልትታት ንእስነታ፡ ከምቲ በታ ኻብ ሃገር ግብጺ ዝወጸትላ መዓልቲ ኽትዝምር እያ።
16በታ መዓልቲ እቲኣ ክኸውን እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ሰብኣየይ ኢልኪ ኽትጽውዕኒ ኢኺ፡ ድሕርዚ ኸኣ በዓለይ ኢልኪ ኣይክትጽውዕንን ኢኺ።17ኣነ ድማ ስም በዓላት ካብ ኣፋ ኸውጽእ እየ፡ ድሕርዚ ኸኣ ስሞም ኣይክዝከርን እዩ።18በታ መዓልቲ እቲኣ ምስ ኣራዊት መሮርን ምስ ኣዕዋፍ ሰማይን ምስ ለመምታ ምድርን ኪዳን ክኣትወሎም እየ፡ ቀስትን ሰይፍን ውግእን ካብታ ሃገር ክሰባብሮ፡ ብደሓንውን ከንብሮም እየ።19ንዘለኣለም ንኣይ ክሕጸየኪ እየ፡ ብጽድቅን ብፍርድን ብሳህልን ብምሕረትን ንኣይ ክሕጸየኪ እየ።20ብእምነት ከኣ ንኣይ ክሕጸየኪ፡ ንስኺውን ንእግዚኣብሄር ክትፈልጥዮ ኢኺ።
21በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ክኸውን እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ኣነ ኽመልስ እየ፡ ንሰማይ ክመልሰሉ፡ ንሱ ኸኣ ንምድሪ ኽመልሰላ እዩ።22ምድሪ ድማ ንስርናይን ወይንን ዘይትን ክትመልሰሉ እያ። እዚውን ንይዝሬኤል ክመልሰሉ እዩ።23ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ድማ ንኣይ ክዘርኦ እየ፡ ንሎሩሓማ ኸኣ ክምሕራ እየ፡ ንሎዓሚ ድማ፡ ንስኻ ህዝበይ ኢኻ፡ ክብሎ እየ። ንሱውን፡ ኣምላኽይ፡ ክብለኒ እዩ።
ትን.ሆሴእ ምዕራፍ 3
1እግዚኣብሄር ከኣ፡ መሊስካ ኺድ እሞ ከምቲ እግዚኣብሄር ነቶም ናብ ካልኦት ኣማልኽቲ ዝምለሱን ቅጫ ዘቢብ ዝፈትዉን ደቂ እስራኤል ሰበይቲ ፍቶ፡ በለኒ። 2ኣነ ኸኣ ብዓሰርተው ሓሙሽተ ሲቃል ብሩርን ብሆመር ስገምን ብለተክ ስገምን ንኣይ ዓደግክዋ።3ብዙሕ መዓልትታት ተጸበይኒ፡ ኣይትመንዝሪ፡ ንኻልእ ሰብኣይ ኣይትኹኒ፡ ኣነውን ከምኡ ኽገብረልኪ እየ፡ በልክዋ።4ደቂ እስራኤል ብዘይ ንጉስን ብዘይ ሓለቓን ብዘይ መስዋእትን ብዘይ ምስልን ብዘይ ኤፎድን ተራፊምን ብዙሕ መዓልትታት ክቕመጡ እዮም።5ደሓር ደቂ እስራኤል ንእግዚኣብሄር ኣምላኾምን ንዳዊት ንጉሶምን ክደልዩ ኽምለሱ፡ በተን ዳሕሮት መዓልትታት ብፍርሃት ናብ እግዚኣብሄርን ናብ ሳህሉን ክመጹ እዮም።
ትን.ሆሴእ ምዕራፍ 4
1ኣቱም ደቂ እስራኤል፡ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ፡ ሓቅን ሳህልን ፍልጠት ኣምላኽን ኣብታ ሃገር የልቦን እሞ፡ እግዚኣብሄር ምስቶም ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ዘለዉ ነገር ኣለዎ።2መርገምን ሓሶትን ቅትለትን ስርቅን ምንዝርናን ገነነ፡ ደም ንደም ተጻናበረ።3ስለዚ እታ ሃገር ክትሓዝን፡ እቶም ኣብኣ ዝነብሩ ዅላቶም ምስ ኣራዊት መሮርን ኣዕዋፍ ሰማይን ከየሕለልዉ፡ ዓሳ ባሕሪውን ክውድኡ እዮም።
4ህዝብኻ ኸምቲ ምስ ካህን ዝካታዕ እዩ፡ እምብኣርሲ ሓደ እኳ ኣይካታዕ፡ ሓደ እኳ ኣይግናሕ።5ንስኻ ብመዓልቲ ኽትወድቕ ኢኻ፡ እቲ ነብዪ ኸኣ ምሳኻ ብለይቲ ኽወድቕ እዩ፡ ኣነውን ነዴኻ ኽድምስሳ እየ።6ህዝበይ ሰኣን ፍልጠት ይጠፍእ። ፍልጠት ስለ ዝኣቤኻ፡ ኣነ ድማ ካህን ከይትዀነኒ ኽኣብየካ እየ። ሕጊ ኣምላኽካ ስለ ዝረሳዕካ፡ ኣነ ኸኣ ንደቅኻ ኽርስዖም እየ።
7ብመጠን እቲ ምብዛሖም ከምኡ ኣብዚሖም በደሉኒ። ኣነ ንኽብረቶም ናብ ነውሪ ክልውጦ እየ።8ሓጢኣት ህዝበይ ይቕለቡ፡ ልቦም ድማ ናብ ኣበሳኦም የድህብ ኣሎ።9እቲ ካህን ከኣ ከምቲ ህዝቢ ክኸውን እዩ፡ ኣነ ድማ ብሰሪ ኣካይዳኦም ክቐጽዖም፡ ግብሮምውን ክመልሰሎም እየ።10ንእግዚኣብሄር ምስዓብ ሓዲጎም እዮም እሞ፡ ይበልዑ ኣይጸግቡን ከኣ፡ ይምንዝሩ ኣይበዝሑን ድማ።
11ምንዝርናን ወይንን ኰልዒ ወይንን ኣእምሮ የጥፍእ።12መንፈስ ምንዝርና ኣስሒትዎም፡ ካብ ኣምላኾም ርሒቖም መንዚሮም እዮም እሞ፡ ህዝበይ ነቲ ዕጨይቲ ይሓትት፡ በትሩውን ይነግሮ።13ኣብ ርእሲ ኣኽራን ይስውኡ፡ ኣብ ልዕሊ ዅርባታት ከኣ፡ ኣብ ትሕቲ ኣውሕን ስየን ጽሕድን፡ ጽላሎም ጽቡቕ እዩ እሞ፡ ይዓጥኑ። ስለዚ ኣዋልድኩም ይምንዝራ፡ መራዕኹም ድማ ይዝምዋ።14ንሳቶም ከኣ ምስ ኣመናዝር የግልሱ፡ ምስ ዘመውቲ ኣንስቲውን ይስውኡ ኣለዉ እሞ፡ ኣዋልድኩም ምስ መንዘራ መራዕኹምውን ምስ ዘመዋ፡ ኣነ ኣይክቐጽዐንን እየ። ኣእምሮ ዘይብሉ ህዝብስ ክውድቕ እዩ።
15ኣታ እስራኤል፡ ንስኻ እንተ መንዘርካ፡ ይሁዳ ኣይበድል። ናብ ጊልጋል ኣይትእተዉ፡ ናብ ቤት-ኣዌን ድማ ኣይትውጹኡ፡ ህያው እግዚኣብሄር ኢልኩም ከኣ ኣይትምሓሉ።16እስራኤል ከም ሕንግድ ኣርሒ ሓንጊዱ እዩ እሞ፡ ሕጂ እግዚኣብሄር ከም ዕየት ኣብ ገፊሕ ቦታ ኽጓስዮ እዩ።17ኤፍሬም ምስ ጣኦታት ሓቢሩ እዩ፡ ሕደጎ።18ስኽራኖም ይገድድ ኣሎ፡ ምንዝርና የብዝሑ፡ ሓላቑኣ ኣዝዮም ነውሪ ይፈትዉ።19ንፋስ በኽናፉ ይኣስራ፡ ንሳቶምውን ብመስዋእቶም ክሓንኩ እዮም።
ትን.ሆሴእ ምዕራፍ 5
1ኣብ ሚጽጳ መንፈጠራ፡ ኣብ ታቦር ከኣ እተዘርግሐት መርበብ ስለ ዝዀንኩም፡ ፍርዲ ኣባኻትኩም እዩ እሞ፡ ኣቱም ካህናት፡ እዚ ስምዑ፡ ኣቱም ቤት እስራኤል፡ ኣድህቡ፡ ኣቱም ቤት ንጉስ፡ ጽን በሉ።2እቶም ዓለወኛታት ኣብዚሖም ይሓርዱ፡ ኣነ ግና ነዚኣቶም ኵሎም ክቐጾዖም እየ።3ኣታ ኤፍሬም፡ ንስኻ ሕጂ መንዚርካ፡ እስራኤል ድማ ረኺሱ እዩ እሞ፡ ኣነ ንኤፍሬም እፈልጦ እየ፡ እስራኤልውን ኣይተሰወረንን።4መንፈስ ምንዝርና ኣብ ውሽጦም ኣሎ፡ ንእግዚኣብሄር ከኣ ኣይፈልጥዎን እዮም እሞ፡ ናብ ኣምላኾም ከይምለሱስ ግብሮም ይኸልኦም።5ትዕቢት እስራኤል ኣብ ገጹ ይምስክር። እስራኤልን ኤፍሬምን ከኣ ብኣበሳኦም ይወድቁ፡ ይሁዳውን ምስኦም ይወድቕ።6ኣባጊዖምን ከብቶምን ሒዞም ንእግዚኣብሄር ክደልይዎ ይኸዱ፡ ግናኽ ኣይረኽብዎን፡ ንሱስ ካብኦም ርሒቑ እዩ።7ድቓላታት ደቂ ስለ ዝወለዱ ንእግዚኣብሄር ጠለሙ። ሕጂ ድማ ሰርቂ ወርሒ ምስ ርስቶም ክውሕጦም እዩ። 8ኣብ ጊብዓ ቐርኒ፡ ኣብ ራማ ኸኣ መለኸት ንፍሑ፡ ናብ ቤትኣዌን ድማ፡ ኣታ ብንያም፡ ኣብ ድሕሬኻ፡ ኢልኩም ኣእውዩ።9ኤፍሬም ብመዓልቲ ቕጽዓት ክባድም እዩ፡ ኣነ ኣብ ነገድ እስራኤል ርግጽ ነገር ኣፍለጥኩ።10ሓላቑ ይሁዳ ኸምቶም ዶብ ዝደፍኡ እዮም፡ ቍጥዓይ ኣብ ልዕሊኦም ከም ማይ ክኽዑ እየ።11ኤፍሬም ደድሕሪ ትእዛዝ ምኻድ ፈትዩ እዩ እሞ፡ ግፉዕ፡ ብፍርዲ ኸኣ ውጹዕ እዩ።12ስለዚ ኣነ ንኤፍሬም ከም ነቐዝ፡ ንቤት ይሁዳ ኸኣ ከም ቍንቍነ እየ።13ኤፍሬም ሕማሙ፡ ይሁዳ ኸኣ ቍስሉ ምስ ረኣየ፡ ኤፍሬም ናብ ኣሶር ከደ፡ ናብ ንጉስ ያሬብ ድማ ለኣኸ፡ ግናኸ ከጥዕየኩም ኣይከኣሎን፡ ካብ ቍስልኹም ከኣ ኣይከሕውየኩምን እዩ።14ኣነ ንኤፍሬም ከም ኣንበሳ፡ ንቤት ይሁዳ ኸኣ ከም ሽደን ኣንበሳ ክኾኖም እየ። ኣነ፡ እወ ኣነ ዘሪፈ ክኸይድ እየ፡ ክወስድ እየ፡ ዘድሕን ድማ የልቦን።15በደሎም ክሳዕ ዝፈልጡ ገጸይ ከኣ ክሳዕ ዝደልዩ፡ ኣነ ክኸይድ ናብ ቦታይውን ክምለስ እየ። ምስ ጸበቦም ኣንጊሆም ክደልዩኒ እዮም።
ትን.ሆሴእ ምዕራፍ 6
1ንሱ ቐደደ፡ ከጥዕየና ኸኣ እዩ፡ ንሱ ወቕዐ፡ ክዝንነና ድማ እዩ እሞ፡ ንዑናይ ናብ እግዚኣብሄር ንመለስ።2ድሕሪ ኽልተ መዓልቲ ህያዋን ክገብረና እዩ፡ ብሳልሳይቲ መዓልቲ ኸኣ ደው ከብለና ኣዩ። ኣብ ቅድሚኡውን ብህይወት ክንነብር ኢና።3ንእግዚኣብሄር ንፍለጦ፡ ክንፈልጦ ድማ ንስዓቦ። ምውጻኡ ኸም ወጋሕታ ርግጽ እዩ፡ ንሱ ኸም ዝናም፡ ከምቲ ንምድሪ ዘጥልል ዝናም ጽብሓት ናባና ኽመጽእ እዩ።
4ዎ ኤፍሬም፡ እንታይ ክገብረካ እየ፧ ዎ ይሁዳ፡ እንታይ ክገብረካ እየ፧ ሰናይኩም ከም ደበና ብጊሓት፡ ከምቲ ኣንጊሁ ዝጠፍእ ኣውሊ እዩ።5ስለዚ ብነብያት ቈረጽክዎም፡ ብቓል ኣፈይ ቀተልክዎም፡ ፍርደይ ድማ ከም ብርሃን ይወጽእ።6ኣነስ ምሕረት እየ ዝፈቱ፡ መስዋእቲ ኣይኰነን፡ ካብ ዝሓርር መስዋእቲ ድማ ፍልጠት ኣምላኽ እፈቱ።
7ንሳቶም ግና ከም ኣዳም ኪዳን ኣፍረሱ፡ በዚውን ጠለሙኒ።8ጊልዓድ ብደም እተዓለሰት ከተማ ኣበሰኛታት እያ።9ከምቲ ኸተርቲ ንሰብ ዘድብዩሉ፡ ከምኡ ድማ እቶም ኣኼባ ካህናት ኣብ መገዲ ሴኬም ይቐትሉ፡ እወ፡ ሕሰም ይገብሩ።10ኣብ ቤት እስራኤል ዘስክሕ ነገር ርኤኹ፡ ምንዝርና ኤፍሬም ኣብኡ እዩ፡ እስራኤል ከኣ ረኸሰ።11ንምርኮ ህዝበይ ምስ መለስክዎ፡ ኣታ ይሁዳ፡ ንኣኻ ድማ ቀውዒ ተዳልዩልካ ኣሎ።
ትን.ሆሴእ ምዕራፍ 7
1ሓሶት የዘውትሩ፡ ሰራቒ ይኣቱ፡ ጭፍራ ኸተርቲ ድማ ኣብ ወጻኢ ይኸትሩ ኣለዉ እሞ፡ ንእስራኤል ከሕውዮም ምስ ደሌኹ፡ ሽዑ ኣበሳ ኤፍሬምን ሕሰም ሰማርያን ተገልጸ።2ኣነ ንዅሉ እከዮም ከም ዝዝክሮ፡ ብልቦም ኣይብሉን። ሕጂ ግብሮም ይኸቦም፡ ኣብ ቅድሚ ገጸይ ከኣ ኣሎ።3ንንጉስ ብእከዮም ንመሳፍንቲ ድማ ብሓሶቶም የሐጕስዎም ኣለዉ።4ኵላቶም ዘመውቲ እዮም። ከምቲ ሰንካቲ ዘርስኖ እቶን እዮም። ንሱ፡ እቲ ብሑቝ ካብቲ ዘቈምጥዖ ኽሳዕ ዝበኵዕ፡ ምቑስቃስ ይሓድግ።5ብመዓልቲ ንጉስና እቶም መሳፍንቲ ብረስኒ ወይኒ ንርእሶም ኣሕመሙ፡ ምስቶም መላገጽቲ ኢዱ ዘርግሐ።6ብተንኰሎም ንልቦም ከም እቶን ኣዳለውዎ፡ ሰንካቲኦም ምሉእ ለይቲ ይድቅስ፡ ንግሆ ኸኣ እቲ እቶን ሃልሃል ከም ዝብል ሓዊ ይነድድ።7ኵላቶም ከም እቶን ይረስኑ ንፈራዶኦም ከኣ ይውሕጥዎም። ኵሎም ነገስታቶም ወደቑ፡ ካብታቶም ሓደ እኳ ዝጽውዓኒ የልቦን። 8ኤፍሬም ምስ ህዝብታት ይጸናበር ኣሎ፡ ኤፍሬም ዘይተገምጠለ ቕጫ እዩ።9ሓይሉ ኣጋይስ ይበልዕዎ፡ ንሱውን ኣይፈልጦን። ሽበት ተነዝሖ፡ ንሱውን ኣይፈልጦን።10ትዕቢት እስራኤል ኣብ ገጹ ይምስክር፡ ግናኸ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኾም ኣይምለሱን፡ በዚ ዅሉውን ኣይደልይዎን።11ኤፍሬም ከም ልቢ ዘይብላን ዓሻን ርግቢ ዀነ፡ ንሳቶም ንግብጺ ይጽውዑ፡ ናብ ኣሶር ይኸዱ።12ክኸዱ ኸለዉ መርበበይ ክዝርግሓሎም፡ ከም ኣዕዋፍ ሰማይ ከውርዶም፡ ከምቲ ኣብ ማሕበሮም እተነግረ ክቐጽዖም እየ። 13ካባይ ሃዲሞም እዮም እሞ፡ ወይለኦም። በዲሎምኒ እዮ እሞ፡ ጥፍኣት ኣብ ልዕሊኦም ይኹን። ኣነስ መድሓንክዎም፡ ንሳቶም ግና ሓሶት ተዛረቡለይ።14ኣብ ምድቃሶም ኰይኖም ይበኽዩ ኣለዉ እምበር፡ ብልቦም ናባይ ኣይድሃዩን። ናብ ስርናይን ናብ ወይንን ይእከቡ፡ ንኣይእንከ ዓለዉኒ።15ኣነ ገሰጽክዎም፡ ቅልጽሞም ከኣ ኣበርታዕኩ፡ ንሳቶም ግና እከይ ይሓስቡለይ ኣለዉ።16ንሳቶም ይምለሱ ኣለዉ፡ ናብቲ ልዑል ግና ይኰኑን። ከም መታለሊ ቐስቲ ዀኑ። መሳፍንቶም ብሰሪ ዅራ ልሳኖም ብሰይፊ ኽወድቁ እዮም። እዚ ኸኣ ኣብ ሃገር ግብጺ መላገጺ ክዀኖም እዩ።
ትን.ሆሴእ ምዕራፍ 8
1መለኸት ኣብ ኣፍካ ግበር፡ ኪዳነይ ኣፍሪሶም፡ ሕገይ ከኣ ግሂሶም እዮም እሞ፡ ከም ንስሪ ኣብ ልዕሊ ቤት እግዚኣብሄር ክወርድ እዩ።2ንሳቶም፡ ኣምላኸይ ንሕና እስራኤል ንፈልጠካ ኢና፡ ኣናበሉ ናባይ ከእውዩ እዮም።3እስራኤል ንሰናይ ደርብዮ፡ ጸላኢ ኽሰጎ እዩ።4ነገስታት ኣንገሱ፡ ግናኸ ብኣይ ኣይኰነን፡ መሳፍንቲ ገበሩ፡ ኣነውን ኣይፈለጥኩን። ምእንቲ ኽጠፍኡስ ብብሩሮምን ብወርቆምን ንርእሶም ጣኦታት ገብሩ።5ዎ ሰማርያ፡ ብተይካ ደርበየካ፡ ቍጥዓይ ኣብ ልዕሊኦም ነደደ፡ ክሳዕ መኣዝ እዮም ክጸርዩ ዘይከኣሎም፡6እዚ ኸኣ ካብ እስራኤል እዩ፡ ንሱ ኣምላኽ ኣይኰነን፡ ሓደ ዓያዪ ዝገበሮ እዩ። ብተይ ሰማርያ ኽሰባበር እዩ።7ንፋስ ይዘርኡ ኣለዉ፡ ህቦብላ ኽዓጽዱ እዮም። ቃንጫ የብሉን፡ እቲ ብቋልያ ሓርጭ ኣየውጽእን። እንተ ኣውጽአ እኳ፡ ጓኖት ምወሓጥዎ።
8እስራኤል ተዋሕጠ። ሕጂ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ባህ ከም ዘየብል ኣቕሓ ዀኑ።9ከምቲ ንበይኑ ዝነብር ኣድጊ ኸደን ናብ ኣሶር ወጺኦም ኣለዉ። ኤፍሬም ብህያብ ፈተውቲ ገበረ።10ንህዝብታት እኳ ህያብ እንተ ሃቡ፡ ኣነ ሎሚ ኽእክቦም እየ። ብጾር እቲ ንጉስ መሳፍንቲ ኸኣ ምውሓድ ክጅምሩ እዮም።11ኤፍሬም ሓጢኣት ንምግባር መሰውኢታት ኣብዚሑ እዩ እሞ፡ እቲ መሰውኢታት ድማ ንሓጢኣት ኰኖ።12ኣእላፋት ሕገይ እኳ እንተ ጸሓፍኩሎም፡ ጓና ዀይኑ እዩ ዝቝጸር።13መስዋእተይ የቕርቡ፡ ስጋ ይስውኡ እሞ ይበልዕዎ፡ እግዚኣብሄር ግና ኣይቅበሎምን። ሕጂ ንኣበሳኦም ክዝክሮ ንሓጢኣቶም ከኣ ክቐጽዖ እዩ። ንሳቶም ናብ ግብጺ ኽምለሱ እዮም።14እስራኤል ንፈጣሪኡ ርስዖ፡ ኣዳራሻት ሃነጸ፡ ይሁዳ ኸኣ እተዓርደ ኸተማታት ኣብዝሐ። ኣነ ግና ናብ ከተማታቱ ሓዊ ኽሰድድ እየ፡ ንሱውን ንግምብታቱ ሞዅ ከብሎ እዩ።
ትን.ሆሴእ ምዕራፍ 9
1ዎ እስራኤል፡ ንኣምላኽካ ሓዲግካ መንዚርካ፡ ኣብ ኵሉ ዓውዲ ስርናይ ዋጋ ምንዝርና ፈቲኻ ኢኻ እሞ፡ ከም ህዝብታት ክሳዕ እልልታ ኣይትተሓጐስ።2ዓውድን መጽሙቝ ወይንን ኣይቅልቦምን፡ ኰልዒ ወይኒ ኸኣ ይጠልሞም።3ንሳቶም ኣብ ሃገር እግዚኣብሄር ኣይነብሩን፡ ኤፍሬምሲ ናብ ግብጺ ደኣ ይምለስ፡ ኣብ ኣሶር ድማ ርኹስ ብልዒ ይበልዑ።4ንእግዚኣብሄር ወይኒ ኣየፍስሱን፡ መስዋእቲ ሕሩዶም ከኣ ባህ ኣየብሎን፡ ንኣታቶም ከም እንጌራ ሓዘን ይዀኖም፡ ካብኡ ዝበልዕ ዘበለ ዅሉውን ይረክስ። እንጌራኦም ንርእሶም እዩ እሞ: ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣይኣቱን።5-6እንሆ፡ ንሳቶም ብሰሪ ምዕናው ከዱ፡ ግብጺ ትእክቦም፡ ሞፍ ድማ ትቐብሮም፡ ነቲ ኽቡር ብሩሮም ተዀርባ ይወርሶ፡ ኣብ ድንኳናቶም ከኣ እሾዅ ኣዩ እሞ፡ ብመዓልቲ ዓብዪ በዓልን ብመዓልቲ በዓል እግዚኣብሄር እንታይ ክትገብሩ ኢኹም፧
7መዓልትታት ቅጽዓት መጻ፡ መዓልትታት ፍዳ መጻ፡ እስራኤል ይፈልጦ እዩ፡ ብብዝሒ ኣበሳኻን ብዕቤት ጽልእን ነብዪ ዓሸወ፡ እቲ መንፈስ ዘለዎ ሰብ ዓበደ።8ሓላዊ ኤፍሬም ምስ ኣምላኸይ ነበረ፡ ነቲ ነብዪ ኣብ ኵሉ መገዱ መፈንጥራ ኣዕዋፍ ይረኽቦ፡ ኣብ ቤት ኣምላኹ ጽልኢ ኣሎ።9ከምቲ ብመዓልትታት ጊብዓ ዝዀነ፡ ኣዕሚቖም ተበላሸዉ። ንሱ ኣበሳኦም ይዝክር፡ ሓጢኣቶም ከኣ ይቐጽዕ።
10ኣነ ንእስራኤል ኣብ በረኻ ኸም ዘሎ ፍረ ወይኒ ረኽብክዎ። ነቦታትኩም ከምቲ ኣብ እትብኰር ኦም በለስ ዘሎ ቀዳማይ ፍረ ርኤኽዎም። ንሳቶም ናብ በዓ-ልጴኦር ኣተዉ፡ ንነውሪ ኸኣ ተፈልዩ፡ ከምቲ ዝፈተውዎ ድማ ፍንፉናት ኰኑ።11ክብረት ኤፍሬም ከም ዑፍ ክነፍር እዩ፡ ድሕርዚ ሕርስን ድቅን ጥንስን የብሎምን።12ደቆም እንተ ኣዕበዩ ድማ፡ ሓደ ሰብ እኳ ኸይተርፎም ውሉድ ዘይብሎም ክገብሮም እየ፡ እወ፡ ኣነ ኻባታቶም ምስ ዝርሕቕ ወይለኦም።13ኤፍሬም ከምታ ኣብ ጽቡቕ ቦታ እተተኽለት ጢሮስ ኰይኑ ርኣኽዎ፡ ግናኸ ኤፍሬምሲ ንደቁ ናብ ቀታሊ የውጽኦም።14ዎ እግዚኣብሄር፡ ሃቦም። እንታይ ክትህቦም፡ ውሉድ ዘይወልድ ማሕጸን ንጹፍ ጡብን ሃቦም።15ኵሉ ኽፍኣቶም ኣብ ጊልጋል እዩ፡ ኣነ ኣብኡ ጸላእክዎም፡ ብሰሪ ኽፍኣት ግብሮም ከኣ ካብ ቤተይ እሰጎም፡ ድሕርዚ ኣየፍቅሮምን እየ፡ ኵሎም መሳፍንቶም ዓለወኛታት እዮም።16ኤፍሬም ተወቕዐ፡ ሱሮም ነቐጸት፡ ፍረ ኣይፈርዩን፡ እንተ ወለዱ እኳ፡ ነቲ ፍቁር ፍረ ኸርሶም ክቐትሎ እየ።17ስለ ዘይሰምዕዎ፡ ኣምላኸይ ይድርብዮም፡ ንሳቶምውን ኣብ ማእከል ኣህዛብ ኰብለልቲ ይዀኑ።
ትን.ሆሴእ ምዕራፍ 10
1እስራኤል ብዙሕ ዝጨናፍሩን ብዙሕ ፍረ ዝፈርን ወይኒ እዩ። ከም መጠን ምብዛሕ ፍሬኡ መሰውኢታት ኣብዝሐ፡ ከም መጠን ምጽባቕ ሃገሩ ሓወልትታት ኣጸበቐ።2ልቦም ተመቕለ፡ ሕጂ ገበነኛታት ኰይኖም ተረኽቡ። ንሱ ንመስውኢታቶም ይሰባብሮ፡ ንሓወልትታቶም ከኣ ሓሸምሸም የብሎ።3አረ ሕጅስ ንእግዚኣብሄር ኣይፈራህናዮን እሞ፡ ንጉስ የብልናን፡ ንጉስከ እንታይ ክገብረልና እዩ፧ ይብሉ።4ዘረባ ይዛረቡ፡ ብሓሶት ይምሕሉ፡ ኪዳን ይኣትዉ፡ ስለዚ ፍርዲ ኸም መርዛም ሳዕሪ ኣብ ነግሒ ግራት ይበቍል።5እቶም ኣብ ሰማርያ ዝነብሩ ስለ እቲ ብተይ ቤት-ኣዌን ይፈርሁ። ክብረት ኻብኡ ስለ ዝኸደ፡ እቲ ህዝቢ ንእኡ ይሓዝነሉ፡ እቶም ካህናት ጣኣታቱ ድማ ስሊኡ የንቀጥቅጡ።6ንሱ እኳ፡ ንንጉስ ያሬብ ክውሃብሲ፡ ናብ ኣሶር ይውሰድ። ኤፍሬም ይሓፍር፡ እስራኤል ከኣ ብምኽሩ ይሓንኽ።7ሰማርያ ምስ ንጉሳ ኸም ዓፍራ ኣብ ልዕሊ ማይ ትጠፍእ።8እቲ በረኽቲ ቦታ ኣዌን፡ ሓጠኣት እስራኤልውን፡ይጠፍእ፡ ኣብ ልዕሊ መሰውኢኦም እሾዅን ተዀርባን ይበቍል። ንሳቶም ከኣ ነኽራን፡ ክደኑና፡ ንዅርባታት ድማ፡ ውደቑና፡ ይብልዎም።
9ዎ እስራኤል፡ ካብ መዓልትታት ጊብዓ ጀሚርካ ሓጢኣት ገብርካ፡ ንሳቶም ኣብኡ ቘሙ፡ እቲ ኣብ ደቂ ኣበሳ ዝዀነ ውግእ ኣብ ጊብዓ ኣይረኽቦምን እዩ።10ከም ፍቓደይ ክቐጽዖም እየ፡ ኣብቲ ኽልተ ሓጢኣቶም ምስ ተኣስሩ፡ ህዝብታት ንጕድኣቶም ክእከቡ እዮም።11ኤፍሬም መኼዳ ዝለመደት እሞ መኼዳ እትፈቱ ኣርሒ እዩ፡ ኣነ ግና በቲ ጽቡቕ ክሳዳ ሓለከፍኩ። ንኤፍሬም ክጸምዶ እየ፡ ይሁዳ ኽሓርስ፡ ያእቆብውን ክጕልጕል እዩ።
12ንሱ ኽሳዕ ዝመጽእ፡ ጽድቂ ኸኣ ክሳዕ ዘዝንመልኩምሲ፡ ንእግዚኣብሄር እትደልዩሉ ግዜ እዩ እሞ፡ ንኣኻትኩም ብጽድቂ ዝርኡ፡ ከም መጠን ምሕረቱ ኸኣ ዕጸዱ፡ ሓድሽ ጽግኢውን ጽግኡ።13ንስኻ ብመገድኻ፡ ብብዝሒ ጀጋኑኻ ተኣሚንካ ኢኻ እሞ፡ ረሲእነት ሓረስኩም፡ ኣበሳ ዓጸድኩም፡ ፍረ ሓሶት በላዕኩም።14ከምቲ ብመዓልቲ ውግእ እታ ኣደ ምስ ደቃ ኽትጭፍለቕ ከላ፡ ሳልማን ቤት-ኣርብኤል ዘጥፍኣ፡ ኣብ ማእከል ህዝብኻ ታዕታዕ ክለዓል፡ ኵሉ ዕርድታትካውን ክፈርስ እዩ።15ብሰሪ ሕሰም ክፍኣትኩም ቤት-ኤል ከምኡ ይገብረኩም፡ ምድሪ ኽወግሕ ከሎ ድማ፡ ንጉስ እስራኤል ጥራስ ይጠፍእ።
ትን.ሆሴእ ምዕራፍ 11
1ንእስራኤል ህጻን ከሎ ኣፍቀርክዎ፡ ንወደይ ካብ ግብጺ ጸዋዕክዎ።2ብመጠን እቲ ዝጸውዕዎም ካብ ገጾም ረሓቑ፡ ንበዓሊም ሰውኡ ንጣኦታት ከኣ ዓጠኑ።3ኣነ ንኤፍሬም ኣታቴኽዎ፡ ብቕልጽመይ ሓቘፍክዎም፡ ግናኸ ኣነ ኸም ዘሕዌኽዎም፡ ኣይፈለጡን።4ኣነ ብገመድ ሰብ፡ ብማእሰር ፍቕሪ ሰሓብክዎም፡ ከምቲ ኻብ ምንጋጋኦም ኣርዑት ዘልዕል ኰንክዎም፡ ብልዒውን ኣቕረብኩሎም።5ናብ ሃገር ግብጺ ኣይምለስን፡ ግናኸ ምምላስ ስለ ዝኣበዩ ኣሶራዊ ይነግሶ።6ስለ እቲ እተማኸርዎ ምኽሮም ከኣ ሰይፊ ኣብ ከተማታቱ ኸንበጥብጥ፡ ንመሀርሃሪታቱ ድማ ክዀሞን ክውሕጦን እዩ።
7ህዝበይ ካባይ ንምኽዳዕ ልቡ ተሰቕለ፡ ናብቲ ልዑል ጸዊዖምዎም ክነሶም፡ ልዕል ዝብል ሓደ እኳ የልቦን።8ዎ ኤፍሬም፡ ከመይ ገይረ ክሓድገካ፧ ዎ እስራኤል፡ ከመይ ገይረ ኣሕሊፈ ኽህበካ፧ ከም ኣድማዶ ኽገብረካ፧ ከም ጸቦይምዶኸ ኸንብረካ እየ፧ ልበይ ኣብ ውሽጠይ ተናወጸ፡ ኵሉ ምሕረተይ ነደደ።9ኣነስ ኣምላኽ እየ፡ ሰብ ኣይኰንኩን፡ ኣብ ማእከልካውን ቅዱስ እየ እምበር፡ ብነድሪ ቝጥዓ ኣይመጽእን እየ እሞ፡ ሃና ነድረይ ኣይወጽእን እየ፡ ንኤፍሬም ከጥፍእ ኢለ ድማ ኣይምለስን እየ።10ንሱ ይጓዝም፡ እቶም ደቂ ኸኣ ካብ ምዕራብ እናንቀጥቀጡ ይመጹ እሞ፡ ንሳቶም ደድሕሪ እቲ ኸም ኣንበሳ ዚጓዝም እግዚኣብሄር ይኸዱ።11ካብ ግብጺ ኸም ዑፍ፡ ካብ ሃገር ኣሶር ከም ርግቢ እናንቀጥቀጡ ይመጹ፡ ኣነውን ኣብ ኣባይቶም ከንብሮም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር።
12ኤፍሬም ብሓሶት፡ ቤት እስራኤል ከኣ ብተንኰል ከበቡኒ፡ ይሁዳ ግና ነቲ ቅዱስ እሙን ኰይኑ ምስ ኣምላኽ ይነግስ።
ትን.ሆሴእ ምዕራፍ 12
1ኤፍሬም ንፋስ ይምገብ፡ ደድሕሪ ንፋስ ምብራቕ ከኣ ይስዕብ፡ ኵሉ መዓልቲ ሓሶትን ዓመጻን የብዝሕ፡ ምስ ኣሶር ኪዳን ይኣትዉ፡ ናብ ግብጺውን ዘይቲ ይወስዱ።2እግዚኣብሄርሲ ምስ ይሁዳውን ነገር ኣለዎ፡ ንያእቆብ ከኣ ከም መጠን መገዱ ክቐጽዖ፡ ከም መጠን ግብሩ ድማ ክፈድዮ እዩ።3ኣብ ከርሲ ኣዲኡ ኸሎ ንሓዉ ብዅርዅሪኡ ሓዞ፡ ብምብርታዑ ኸኣ ምስ ኣምላኽ ተቓለሰ።4ምስ መልኣኽ ተቓለሰ እሞ ኣሰነፈ፡ በኸየ፡ ለመኖ ኸኣ፡ ኣብ ቤት-ኤል ረኸቦ፡ ኣብኡውን ተዛረበና።5ንሱ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት፡ ስም መዘከርታኡ ድማ እግዚኣብሄር እዩ።6እምበኣርሲ ናብ ኣምላኽካ ተመለስ፡ ምሕረትን ፍርድን ሓሉ፡ ኵሉ ግዜ ብኣምላኽካ ተስፋ ግበር። 7ከንኣናዊ እዩ፡ ኣብ ኢዱ ሓሳዊ ሚዛን ኣለዎ፡ ምጥዋይ ይፈቱ።8ኤፍሬም ከኣ፡ ኣነ ሃብተምኩ፡ ገንዘብ ኣጥሬኹ፡ ኣብ ኵሉ ጻዕረይ ሓጢኣት ዝኸውን ኣበሳ ኣይርከበንን፡ በለ።9ኣነ ኻብ ሃገር ግብጺ ጀሚረ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ፡ ከምቲ ብመዓልቲ በዓል ከም ብሓድሽ ኣብ ድንኳናት ከንብረካ እየ።10ንነብያት ከኣ ተዛረብኩ፡ ራእይ ድማ ኣብዛሕኩ፡ ብነብያት ገይረ ምስላታት ነገርኩ። 11ጊልዓድ ዓመጻ እንተ ዀነ፡ ከንቱነት ጥራይ እዮም። ኣብ ጊልጋል ዝራብዓት ይስውኡ፡ መሰውኢታቶም ከኣ ኣብ ነግሒ ግራት ከም እተዀመረ ኣእማን ክኸውን እዩ።12ያእቆብ ናብ ሃገር ኣራም ሃደመ፡ እስራኤል ድማ ምእንቲ ሰበይቲ ተገዝአ፡ ምእንቲ ሰበይቲ ኸኣ ጓሳ ዀነ።13ግናኸ እግዚኣብሄር ንእስራኤል ብኢድ ነብዪ ካብ ግብጺ ኣውጽኦ፡ ብኢድ ነብዪ ኸኣ ሓለዎ።14ኤፍሬም ኣምሪሩ ኣቘጥዖ፡ ስለዚ ጐይታኡ ደሙ ኣብ ልዕሊኡ ኸውርደሉ፡ ጸርፉውን ኣብ ልዕሊኡ ክመልሰሉ እዩ።
ትን.ሆሴእ ምዕራፍ 13
1ኤፍሬም ምስ ዝዛረብ፡ ስምባድ ይኸውን ነበረ። ንሱ ኣብ እስራኤል ልዕል በለ፡ ንበዓል ብምግልጋሉ ምስ በደለ ግና ሞተ።2ሕጂ ኸኣ እናወሰኹ ሓጢኣት ይገብሩ ኣለዉ። ንሳቶም ንርእሶም ከም ምስትውዓሎም ገይሮም ጣኦታት፡ ብብሩሮም ፍሱስ ምስልታት፡ ይገብሩ ኣለዉ፡ ኵሎም ዕዮ ብልሓተኛታት እዮም። ብዛዕባኦም ከኣ፡ እቶም ዝስውኡ ሰባት ነቶም ብተያት ይሳለምዎም፡ ይብሉ።3ስለዚ ንሳቶም ከም ደበና ብጊሓት፡ ከምቲ ኣንጊሁ ዝዘፍፍ ኣውሊ፡ ከምቲ ካብ ዓውዲ ብንፋስ ዝብተን ብቝቡቝ፡ ከምቲ ብመስኰት ዝወጽእ ትኪ ይዀኑ። 4ግናኸ ኣነ ካብ ሃገር ግብጺ ጀሚረ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ፡ ብጀካይ ካልእ ኣምላኽ ኣይትፈልጥን ኢኻ፡ ብጀካይ ድማ መድሓኒ የልቦን።5ኣነ ኣብ ምድረ በዳ፡ ኣብ ምድሪ ኣጻምእ ፈለጥኩኻ።6ብመጠን መጓሰዪኦም ጸገቡ፡ ጸገቡ እሞ ልቦም ተዓበየ፡ ስለዚ ረስዑኒ።7ኣነ ድማ ከም ኣንበሳ ዀንክዎም፡ ከም ነብሪ ኸኣ ኣብ መገዲ ኤድቢ ኣሎኹ።8ኰረዅራ ኸም ዘግደፍዋ ድቢ ዀይነ ህሩጕ እብሎም፡ ነቲ መሸፈኒ ልቦም ከኣ እቐዶ፡ ኣብኡ ድማ ከም ዋዕሮ እውሕጦም፡ ኣራዊት በረኻውን ይሰላልዕዎም። 9ዎ እስራኤል፡ ንኣይ ንሓገዝካ ምጽራርካስ ጥፍኣትካ እዩ።10ንጉስካ ኣብ ኵለን ከተማታትካ ኸድሕነካስ ኣበይ ኣሎ፧ እቶም ብዛዕባኦም፡ ንጉስን መሳፍትን ሃበኒ፡ ዝበልካሎም ፈራዶኻኸ ኣበይ ኣለዉ፧11ብዅራይ ንጉስ ሃብኩኻ፡ ብቝጥዓይ ድማ ክስዕሮ እየ።12ኣበሳ ኤፍሬም ተጠሚሩ፡ ሓጢኣቱ ተነቢሩ ኣሎ።13ከም እትሓርስ ሰበይቲ ቕልውላው ይመጾ፡ ግዜ ምስ በጽሐ፡ ንምላድ ኣይቀርብን እዩ እሞ፡ ዘይለባም ወዲ እዩ። 14ካብ ኢድ ሲኦል አድሕኖም፡ ካብ ሞት እብጀዎም። ኣታ ሞት፡ ፌራኻ ኣበይ ኣሎ፧ ኣታ ሲኦል፡ ጥፍኣትካ ኣበይ ኣሎ፧ ጣዕሳ ካብ ኣዒንተይ ተሓብአት።15ኣብ ማእከል ኣሕዋቱ ፍረ ይፈሪ፡ ንፋስ ምብራቕ፡ እቲ ካብ ምድረ በዳ ዝወጽእ ንፋስ እግዚኣብሄር ይመጽእ፡ ዓይኒ ማያቱ ኸኣ ይነቅጽ፡ ወሓዚታቱውን ይነጽፍ፡ ዕቋሩን ኵሉ ኽቡር ኣቓሑኡን ንሱ ይዘምቶ።16ሰማርያ ኻብ ኣምላኽ ኸዲዓ እያ እሞ፡ ብበደላ ትቕጻዕ፡ ብሰይፊ ይወድቁ፡ ሕጻናቶም ይጭፍለቑ፡ ጥኑሳት ኣንስቶም ከኣ ይቕደዳ።
ትን.ሆሴእ ምዕራፍ 14
1ዎ እስራኤል፡ ብኣበሳኻ ወዲቕካ ኢኻ እሞ፡ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ተመለስ።2ምሳኻትኩም ቃላት ውሰዱ፡ ናብ እግዚኣብሄር ድማ ተመለሱ እሞ፡ ኵሉ ኣበሳና ይቕረ በለልና፡ ሰናይ ከኣ ተቐበል፡ ንሕናውን ኣብ ክንዲ ኣሩሕ መስዋእቲ ኸናፍርና ኸነቕርብ ኢና፡ በልዎ።3እቲ ዘኽታም ኣባኻ ምሕረት ይረክብ እዩ እሞ፡ ኣሶር ኣየድሕነናን፡ ኣብ ኣፍራስ ኣይንውጣሕን፡ ድሕርዚውን ንዕዮ ኣእዳውና ኣምላኽና ኣይክንብሎን ኢና።4ኵራይ ካብኡ ተመሊሱ እዩ እሞ፡ ኣነ ንጥልመቶም ከሕዊ፡ ኣነ ብልቢ ኸፍቅሮም እየ።5ኣነ ንእስራኤል ከም ኣውሊ እዀኖ፡ ንሱ ኸም ዕምባባ ይዕምብብ፡ ከም ሊባኖስ ከኣ ሰረውሩ ይሰድድ።6ጨናፍሩ ይዝርጋሕ፡ ምጽባቑ ኸም ኣውልዕ፡ መኣዛኡ ድማ ከም ሊባኖስ ይኸውን።7እቶም ኣብ ትሕቲ ጽላሉ ዝነብሩ ይምለሱ፡ ብስርናይ ይብርትዑ፡ ከም ተኽሊ ወይኒ ይዕምብቡ፡ መዘከርታኡ ኸም ወይኒ ሊባኖስ እዩ።8ዎ ኤፍሬም፡ ደጊምከ ኣነ ምስ ጣኦታት እንታይ ኣሎኒ፡ ኣነ ሰማዕክዎ፡ ናብኡ ድማ ክጥምት እየ። ከም ዝለምዐ ጽሕዲ እየ፡ ፍሬኻ ካባይ እዩ ዝመጽእ።9መገዲ እግዚኣብሄር ቅኑዕ እዩ፡ ጻድቃን ይመላለስሉ፡ መፍረስቲ ግና ኣብኡ ይወድቁ እዮም እሞ፡ ነዚ ዘስተውዕሎስ ኣየናይ ጥበበኛ እዩ፧ ዝፈልጦኸ ኣየናይ ለባም እዩ፧