ቀዳማይ መጽሓፍ ነገስት

1  2  3  4  5  6  7  8  9
10  11  12  13  14  15
16  17  18  19
20  21  22


         1ይ ነገስት  ምዕራፍ 1     

   1ንጉስ ዳዊት ድማ ዕለቱ ዝሓለፈ ኣረጊት ኰነ። ክዳውንቲ ኸኣ ደረቡሉ፡ ግናኸ ኣይሞቐን። 2ስለዚ እቶም ገላዉኡ፡ ንጐይታና ንጉስ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ቈይማ እትኣልዩ፡ ጐይታይ ንጉስ ምእንቲ ኽመውቕ ከኣ ኣብ ሕቑፍኻ እትድቅስ ድንግል ጓል ይድለዩሉ፡ በልዎ። 3ሽዑ ኣብ ብዘላ ምድሪ እስራኤል መልክዐኛ ጓል ደለዩ እሞ፡ ንኣቢሳግ ሱናማዊት ረኸቡ፡ ንእኣ ድማ ናብ ንጉስ ኣምጽእዋ። 4ንሳ ኣዝያ መልክዐኛ ነበረት፡ ንንጉስ ከኣ ትኣልዮን ተገልግሎን ነበረት፡ ንጉስ ግና ኣይፈለጣን።
   5ሽዑ ኣዶንያ ወዲ ሓጊት፡ ኣነ ኽነግስ እየ፡ ኢሉ ተላዕለ። ሰረገላታትን ፈረሰኛታትን ቀቅድሚኡ ዝጐዩ ሓምሳ ሰብኣይን ከኣ ገበረ። 6ኣቦኡ ድማ ብዘሎ ዘመኑ፡ ስለምንታይ ኢኻ ኸምዚ እትገብር ዘሎኻ፡ ኢሉ ኣየጒሃዮን። ንሱ ኸኣ ትርኢቱ ኣዝዩ ጽቡቕ ነበረ፡ ንእኡ ድማ ድሕሪ ኣቤሴሎም እያ ዝወለደቶ። 7ነገሩ ኸኣ ምስ ዮኣብ ወዲ ጽሩያን ምስ ካህን ኣብያታርን ነበረ፡ ንሳቶም ድማ ንኣዶንያ ስዒቦም ደገፍዎ። 8ካህን ጻዶቅን በናያ ወዲ የሆያዳን ነብዪ ናታንን ሺምዒን ረዒይን እቶም ጀጋኑ ዳዊትን ግና ምስ ኣዶንያ ኣይኰኑን። 9ኣዶንያ ድማ ኣብቲ ኣብ ጥቓ ዔንሮጌል ዘሎ እምኒ ዞሔለት ኣባጊዕን ኣሓን ስቡሓት ኣባትይን ሓረደ። ንዂሎም ኣሕዋቱ ደቂ ንጉስን ንዂሎም ገላዉ ንጉስ ዘበሉ ሰብ ይሁዳን ከኣ ጸውዖም። 10ንነብዪ ናታንን ንበናያን ነቶም ጀጋኑን ንሰሎሞን ሓዉን ግና ኣይጸውዖምን።
   11ሽዑ ናታን ንባትሴባ ኣደ ሰሎሞን፡ ጐይታና ንጉስ ከይፈለጠ፡ ኣዶንያ ወዲ ሓጊት ከም ዝነገሰዶ ኣይሰማዕክን ኢኺ፡ በላ። 12ሕጂ ድማ ንነፍስኽን ነፍሲ ሰሎሞን ወድኽን ከተድሕንስ፡ በጃኺ ንዒ ምኽሪ ኽመኽረኪ። 13ኬድኪ ናብ ንጉስ ዳዊት ኣቲኺ፡ ዎ ጐይታይ ንጉስ፡ ንስኻ ንገረድካ፡ ብድሕረይ ወድኺ ሰሎሞን ክነግስ እዩ፡ ንሱ ድማ ኣብ ዝፋነይ ክቕመጥ እዩ፡ ኢልካዶ ምሒልካለይ ኣይነበርካን፡ ስለምንታይ ደኣ ኣዶንያ ነገሰ፡በልዮ። 14እንሆ፡ ገና ንስኺ ኣብኡ ምስ ንጉስ ክትዛረቢ ኸሎኺ፡ ኣነ ኸኣ ብድሕሬኺ ኣትየ ዘረባኺ ኽምልኣልኪ እየ፡ በለ።
   15ባትሴባ ከኣ ናብ ንጉስ ኣብቲ ሕልፍኚ ኣተወት። እቲ ንጉስ ድማ ኣዝዩ ኣሪጉ ነበረ፡ ኣቢሳግ እታ ሱናማዊት ከኣ ነቲ ንጉስ ተገልግሎ ነበረት። 16ባትሴባ ድማ ድንን ኢላ ንንጉስ ኢድ ነስኣትሉ። እቲ ንጉስ ከኣ፡ እንታይ ደሊኺ ኢኺ፡ በላ። 17ንሳ ድማ በለቶ፡ ጐይታይ፡ ንስኻ፡ ብድሕረይ ወድኺ ሰሎሞን ክነግስ፡ ንሱ ኸኣ ኣብ ዝፋነይ ክቕመጥ እዩ ኢልካ፡ ንገረድካ ብእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምሒልካለይ ነበርካ። 18ሕጂ ድማ፡ እንሆ፡ ኣዶንያ ነጊሱ፡ ንስኻ ጐይታይ ንጉስ ከኣ ኣይፈለጥካዮን። 19ንሱ ድማ ኣብዑርን ስቡሓት ኣባትይን ብዙሓት ኣባጊዕን ሓሪዱስ፡ ንዂሎም ደቂ ንጉስን ንኻህን ኣብያታርን ንዮኣብ ሓለቓ ሰራዊትን ከኣ ጸዊዕዎም ኣሎ። ንሰሎሞን ጊልያኻ ግና ኣይጸውዖን። 20ሕጂ ኸኣ፡ ጐይታይ ንጉስ ዝቕመጥ ክትነግሮም፡ ኣዒንቲ ዂሎም እስራኤል ናባካ ይጥምታ ኣለዋ፡ 21እተን ዘይኰነስ፡ ጐይታይ ንጉስ ምስ ኣቦታቱ ምስ ዓረፈ፡ ኣነን ሰሎሞን ወደይን ከም ዓመጽቲ ኽንከውን ኢና።
   22እንሆ ድማ፡ ገና ምስ ንጉስ ክትዛረብ ከላ፡ ነብዪ ናታን ኣተወ። 23ንንጉስ ከኣ፡ እንሆ ነብዪ ናታን፡ ኢሎም ነገርዎ። ናብ ቅድሚ ንጉስ ምስ ኣተወ ድማ፡ ብገጹ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ንንጉስ ኢድ ነስኣሉ። 24ናታን ድማ በለ፡ ዎ ጐይታይ ንጉስ፡ ንስኻ፡ ብድሕረይ ኣዶንያ ይንገስ፡ ንሱ ኸኣ ኣብ ዝፋነይ ይቀመጥዶ ኢልካ ኢኻ፡ 25ንሱስ ሎሚ ወሪዱ፡ ኣብዑርን ስቡሓት ኣባትይን ብዙሓት ኣባጊዕን ሓሪዱ፡ ንዂሎም ደቂ ንጉስን ንሓላቑ ሰራዊትን ንኻህን ኣብ ያታርን ጸዊዕዎም፡ እነዉ ኸኣ፡ ኣብ ቅድሚኡ ይበልዑን ይሰትዩን፡ ንጉስ ኣዶንያ ህያው ይኹን፡ ድማ ይብሉ ኣለዉ። 26ንኣይ ጊልያኻን ንኻህን ጻዶቅን ንበናያ ወዲ የሆያዳን ንጊልያኻ ሰሎሞንን ግና ኣይጸውዓናን። 27ብድሕሬኻ ኣብ ዝፋን ጐይታይ ንጉስ መን ከም ዝቕመጥ ንጊልያኻ ኸይነገርካንስ፡ እዚ ነገር እዝዶ ኻብ ጐይታይ ንጉስ ኰይኑ እዩ፡
   28ሽዑ ንጉስ ዳዊት መሉሱ፡ ንባትሴባ ጸውዑለይ፡ በለ። ንሳ ኸኣ ናብ ቅድሚ ንጉስ ኣተወት፡ ኣብ ቅድሚ ንጉስውን ደው በለት። 29እቲ ንጉስ ድማ ከምዚ ኢሉ መሓለ፡ እቲ ንነፍሰይ ካብ ኲሉ ጸበባ ዘድሓነ እግዚኣብሄር ህያው እዩ፡ 30ከምቲ፡ ሰሎሞን ወድኺ ብድሕረይ ክነግስ፡ ንሱ ድማ ኣብ ክንዳይ ኣብ ዝፋነይ ክቕመጥ እዩ፡ ኢለ ብእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ዝመሓልኩልኪ፡ ሎሚ መዓልቲ ኸምኡ ኽገብር እየ። 31ሽዑ ባትሴባ ድንን ኢላ ብገጻ ናብ ምድሪ ተደፊኣ ንንጉስ ኢድ ነሲኣ፡ ጐይታይ ንጉስ ዳዊት ንዘለኣለም ህያው ይኹን፡ በለት።
   32ንጉስ ዳዊት ድማ፡ ንኻህን ጻዶቅን ንነብዪ ናታንን ንባናያ የሆያዳን ጸውዑለይ፡ በለ። ናብ ቅድሚ ንጉስ ከኣ መጹ። 33እቲ ንጉስ ድማ በሎም፡ ንገላዉ ጐይታኹም ምሳኹም ተማሊእኩም ናብ ጊሖን ኣውርድዎ። 34ኣብኡ ኸኣ ካህን ጻዶቅን ነብዪ ናታንን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ክነግስ ይቕብእዎ። መለኸት እናነፋሕኩም ድማ፡ ንጉስ ሰሎሞን ህያው ይኹን፡ በሉ። 35ድሕሪኡ ስዒብኩም ከኣ ደይቡ፡ መጺኡ ድማ ኣብ ዝፋነይ ይቀመጥ፡ ንሱ ኸኣ ኣብ ክንዳይ ይንገስ፡ ንእኡ ድማ ኣብ ልዕሊ እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ይሁዳን መስፍን ክኸውን ኣዚዘ እየ። 36በናያ ወዲ የሆያዳ ኸኣ ንንጉስ፡ ኣሜን፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ጐይታይ ንጉስ ከምኡ ይበል፡ 37እግዚኣብሄር ከምቲ ምስ ጐይታይ ንጉስ ዝነበረ፡ ከምኡ ኸኣ ምስ ሰሎሞን ይኹን፡ ዝፋኑ ድማ ካብ ዝፋን ጐይታይ ንጉስ ዳዊት የዕብዮ፡ ኢሉ መለሰ።
38ሽዑ ኻህን ጻዶቅን ነብዪ ናታንን በናያ ወዲ የሆያዳን ክረታውያንን ጵለታውያንን ወረዱ፡ ንሰሎሞን ከኣ ኣብ በቕሊ ንጉስ ዳዊት ኣወጢሖም ናብ ጊሖን ወሰድዎ። 39ካህን ጻዶቅ ድማ ካብ ድንኳን ቀርኒ ዘይቲ ወሲዱ ንሰሎሞን ቀብኦ። መለኸት ከኣ ነፍሑ፡ ኲሎም ህዝቢ ድማ፡ ንጉስ ሰሎሞን ህያው ይኹን፡ በሉ። 40ብዘለዉ እቶም ህዝቢ ድማ ደድሕሪኡ ደየቡ፡ እቶም ህዝቢ ኸኣ እምብልታ እናወቕዑ፡ ዓብዪ ሓጐስ ተሓጐሱ፡ ብጭድርታኦምውን ምድሪ ተጨደት።
   41ኣዶንያን ምስኡ ዝነበሩ ዂሎም ጽውዓትን ድማ፡ በሊዖም ምስ ወድኡ፡ ሰምዕዎ። ዮኣብ ከኣ ደሃይ መለኸት ምስ ሰምዐ፡ እዚ ኣብ ከተማ ዝስማዕ ዘሎ ጭራሕምራሕ እንታይ እዩ፡ በለ። 42ገና ኽዛረብ ከሎ፡ እንሆ፡ ዮናታን ወዲ ኻህን ኣብያታር መጸ፡ ኣዶንያ ድማ፡ ኣታ ጽቡቕ እተበስር ሃብሮም ሰብ ኢኻ እሞ፡ እቶ፡ በለ። 43ዮናታን ከኣ ንኣዶንያ መሊሱ በሎ፡ ብሓቂ ጐይታና ንጉስ ዳዊት ንሰሎሞን ኣንጊስዎ። 44እቲ ንጉስ ድማ ንኻህን ጻዶቅን ንነብዪ ናታንን ንበናያ ወዲ የሆያዳን ንክረታውያንን ንጵለታውያንን ምስኡ ሰደዶም፡ ንሳቶም ከኣ ኣብ በቕሊ ንጉስ ኣወጥሕዎ። 45ካህን ጻዶቅን ነብዪ ናታንን ድማ ንጉስ ክኸውን ኣብ ጊሖን ቀብእዎ። ካብኡ ኸኣ ተሓጒሶም ደየቡ፡ እታ ኸተማ ድማ ዕግርግር በለት። እቲ ዝሰማዕኩምዎ ጫውጫው እዚ እዩ። 46ሰሎሞን ከኣ ኣብ ዝፋን መንግስቲ ተቐመጠ። 47እቶም ገላዉ ንጉስ ድማ ኣትዮም፡ ንጐይታና ንጉስ ዳዊት፡ ኣምላኽካ ንስም ሰሎሞን ካብ ስምካ የብልጾ፡ ንዝፋኑ ኸኣ ካብ ዝፋንካ የዕብዮ፡ ኢሎም መረቕዎ። ንጉስ ድማ ኣብ መደቀሲኡ ዀይኑ ሰገደ። 48ንጉስ ከኣ፡ እቲ ኣዒንተይ እናረኣያ ሎሚ ኣብ ዝፋነይ ዝቕመጥ ዝሃበኒ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ብሩኽ ይኹን፡ በለ።
   49ሽዑ እቶም ኣዶንያ ዝጸውዖም ኲሎም ፈርሁ፡ ተንሲኦም ድማ ነፍሲ ወከፍ መመገዶም ከዱ። 50ኣዶንያ ኸኣ ንሰሎሞን ፈሪሁ ተንስአ፡ ከይዱ ድማ ቀርኒ መሰውኢ ኣጽኒዑ ሓዘ። 51ንሰሎሞን፡ ከኣ፡ እንሆ፡ ኣዶንያ ንንጉስ ሰሎሞን ንጊልያኡ ብሴፍ ከይቀትሎ ሎሚ ይምሓለለይ፡ ይብል ኣሎ፡ በልዎ። 52ሰሎሞን ከኣ፡ ሕያዋይ ሰብ እንተ ዀይኑስ፡ ካብ ጸጒሩ ሓንቲ እኳ ናብ ምድሪ ኣይትወድቕን፡ ክፉእ እንተ ተረኽቦ ግና፡ ክመውት እዩ፡ በለ። 53ንጉስ ሰሎሞን ድማ ለኣኸ እሞ፡ ካብቲ መሰውኢ ኣምጽእዎ። ንሱ ኸኣ መጺኡ ንንጉስ ሰሎሞን ኢድ ነስአሉ። ሰሎሞን ድማ፡ ናብ ቤትካ ኺድ፡ በሎ።

        1ይ ነገስት  ምዕራፍ 2 

   1ዳዊት ዝሞተላ መዓልቲ ቐረበት እሞ፡ ንሰሎሞን ወዱ ኸምዚ ኢሉ ኣዘዞ፡ 2ኣነ መገዲ ዂላ ምድሪ እኸይድ ኣሎኹ እሞ፡ ጽኑዕ፡ ሰብኣይ ከኣ ኹን። 3እቲ እትገብሮ ዘበለ ዂሉን ገጽካ ኣብ እትመልሰሉን ምእንቲ ኽቐንዓካስ፡ ከምቲ ኣብ ሕጊ ሙሴ ተጽሒፉ ዘሎ፡ ብመገዱ ኽትከይድ፡ ሕጋጋቱን ትእዛዛቱን ፍርድታቱን ምስክሩን ድማ ክትሕሉ፡ ንትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ሓሉ። 4እግዚኣብሄር ነቲ ብዛዕባይ ከምዚ ኢሉ እተዛረቦ ቓል ምእንቲ ኽፍጽሞ፡ እቶም ደቅኻ ብእምነትን ብምሉእ ልቦምን ብዂሉ ነፍሶምን ኣብ ቅድመይ ክመላለሱ፡ መገዶም እንተ ሓለዉ፡ ሽዑ ኻብ ዝፋን እስራኤል ሰብ ኣየቋርጸልካን እየ፡ በለኒ። 5እቲ ዮኣብ ወዲ ጽሩያ ዝገበረኒ ድማ ንስኻ ትፈልጦ ኢኻ፡ እቲ ንኣብኔር ወዲ ኔርን ንዓማሳ ወዲ የተርን፡ ነቶም ክልተ ሓላቑ ሰራዊት እስራኤል፡ ዝገበሮም፡ ንኣታቶም ቀቲሉ፡ ብግዜ ሰላም ደም ውግእ ኣፍሰሰ፡ ኣብቲ ኣብ ሕቜኡ ዝነበረ ቕናቱን ኣብቲ ኣብ እግሩ ዝነበረ ሳእኑን ድማ ደም ገበረ። 6እምበኣር ከም ጥበብካ ግበሮ፡ ንሽበቱ ብሰላም ናብ ሲኦል ኣይተውርዶ። 7ንደቂ ባርዚላይ ጊልዓዳዊ ግና፡ እቲ ኻብ ቅድሚ ኣቤሴሎም ሓውካ ኽሃድም ከሎኹ ቀሪቦምኒ እዮም እሞ፡ ከምኡ ምሕረት ግበረሎም፡ ምስቶም ኣብ መኣድኻ ዝበልዑ ይኹኑ። 8እንሆ ኸኣ፡ ሺምዒ ወዲ ጌራ ብንያማዊ፡ ብዓል ባሑሪም ምሳኻ ኣሎ። ንሱ በታ ንማሓናይም ዝኸድኩላ መዓልቲ ብርቱዕ መርገም ረገመኒ፡ ግናኸ ንሱ ናብ ዮርዳኖስ ወሪዱ ተቐበለኒ፡ ኣነ ኸኣ፡ ብሴፍ ኣይክቐትለካን እየ፡ ኢለ ብእግዚኣብሄር መሓልኩሉ። 9ሕጂ ኸኣ ብዘይ ቅጽዓት ኣይትሕደጎ። ንስኻ ጥበበኛ ሰብ ኢኻ እሞ፡ እትገብሮ ባዕልኻ ትፈልጥ፡ ሽበቱ ብደም ለኺኻ ድማ ናብ ሲኦል ኣውርዶ።
   10ዳዊት ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፡ ኣብ ከተማ ዳዊት ከኣ ተቐብረ። 11እቲ ዳዊት ኣብ እስራኤል ዝነገሰሉ ዘመን ኣርብዓ ዓመት ነበረ። ኣብ ኬብሮን ሾብዓተ ዓመት ነገሰ፡ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ሰላሳን ሰለስተን ዓመት ነገሰ።
   12ሰሎሞን ድማ ኣብ ዝፋን ኣብኡ ዳዊት ተቐመጠ፡ ስልጣን መንግስቱውን ኣዝያ ጸንዐት። 13ኣዶንያ ወዲ ሓጊት ድማ ናብ ባትሴባ ኣደ ሰሎሞን መጸ። ንሳ ኸኣ፡ ብደሓንዶ መጺእካ፡ በለቶ። ንሱ ድማ፡ ደሓን እየ፡ በላ። 14ምሳኺ ደኣ ዘረባ ኣሎኒ፡ ድማ በለ። ተዛረብ፡ በለቶ። 15ንሱ ኸኣ፡ መንግስቲ ናተይ ከም ዝነበረት፡ ኲሎም እስራኤልውን ኣነ ኽነግሶም ገጾም ኣባይ ከም ዝነበረ፡ ባዕልኺ ትፈልጢ ኢኺ። እታ መንግስቲ ግና፡ ካብ እግዚኣብሄር ንእኡ ዀይን እያ እሞ፡ ዞይራ ንሓወይ ኰነት። 16ሕጂ ኸኣ ካባኺ ሓደ ልማኖ እልምን ኣሎኹ እሞ፡ ገጸይ ኣይተሕፍርኒ፡ በላ። ተዛረብ፡ በለቶ። 17ንሱ ድማ፡ ንንጉስ ሰሎሞን፡ ንሱ ንገጽኪ ኣየሕፍርን እዩ እሞ፡ ኣቢሳግ እታ ሱናማዊት ሰበይተይ ክትከውን ክህበንስ፡ በጃኻ፡ ተዛረብዮ፡ በላ። 18ባትሴባ ኸኣ፡ ጽቡቕ፡ ንንጉስ ስሌኻ ኽዛረቦ እየ፡ በለት፡
   19ባትሴባ ድማ ብናይ ኣዶንያ ኽትዛረብ ናብ ንጉስ ሰሎሞን ኣተወት። እቲ ንጉስ ከኣ ክቕበላ ተንስአ፡ ኢድ ድማ ነስኣላ፡ ኣብ ዝፋኑ ተቐመጠ፡ ነደ ንጉስውን ዝፋን ኣምጽኣላ እሞ፡ ብየማኑ ተቐመጠት። 20ንሳ ኸኣ፡ ካባኻ ሓደ ንእሽቶ ልማኖ እልምን ኣሎኹ እሞ፡ ገጸይ ኣይተሕፍረኒ፡ በለቶ። ንጉስ ድማ፡ ኣደየ፡ ገጽኪ ኣየሕፍረክን እየ እሞ፡ ለምኒ፡ በላ። 21ንሳ ኸኣ፡ ኣቢሳግ እታ ሱላማዊት፡ ሰበይቲ ኽትኰኖ፡ ንሓውካ ኣዶንያ ትወሃብ፡ በለት። 22ንጉስ ሰሎሞን ድማ ነዲኡ፡ ንኣዶንያ ኣቢሳግ እታ ሱናማዊት እትልምንሉ ስለምንታይ ኢኺ፡ ንሱ ኻባይ ዝዓቢ ሓወይ እዩ እሞ፡ እዛ መንግስቲውን ለምንሉ፡ ንእኡ፡ ንኻህን ኣብያታርን ንዮኣብ ወዲ ጽርያን ከኣ፡ ኢሉ መለሰላ። 23-24ሽዑ ንጉስ ሰሎሞን፡ ኣዶንያ እዚ እተዛረቦ ዘረባ ኣብ ንፍሱ እንተ ዘይኰይኑ፡ ኣምላኽ ከምዚ ይግበረኒ ኸምዚውን ይወስኸኒ። ሕጂ ኸኣ እቲ ዝመደበኒ፡ ኣብ ዝፋን ኣቦይ ዳዊትውን ዘቐመጠኒ፡ ከምቲ እተዛረቦ ድማ ቤት ዝሰርሓለይ እግዚኣብሄር ህያው ከም ዝዀነ፡ ኣዶንያ ሎሚ ኽመውት እዩ፡ ኢሉ ብእግዚኣብሄር መሓለ። 25ንጉስ ሰሎሞን ከኣ ንበናያ ወዲ የሆያዳ ሰደዶ፡ ንሱ ድማ ወቕዖ፡ ሞተ ክከ።
   26ንጉስ ከኣ ንኻህን ኣብያታር፡ ንስኻ ሞት ዝግብኣካ ሰብ ኢኻ፡ ግናኸ ታቦት እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብ ቅድሚ ኣቦይ ዳዊት ስለ ዝጾርካ፡ ኣብ ኲሉ መከራ ኣቦይ ድማ መከራ ስለ ዝረኸብካ፡ ሎሚ ኣይቐትለካን እየ እሞ፡ ናብ ግራውትኻ፡ ናብ ዓናቶት ኪድ፡ በሎ። 27በዚ ኸምዚ እግዚኣብሄር ብዛዕባ ቤት ኤሊ ኣብ ሺሎ እተዛረቦ ቓል ምእንቲ ኽፍጸም፡ ሰሎሞን ንኣብያታር ካህን እግዚኣብሄር ካብ ምዃን ሰዓሮ።
   28ዮኣብ ድማ፡ ምንም እኳ ንኣቤሴሎም እንተ ዘይሰዓበ፡ ንኣዶንያ ስዒቡ ነበረ እሞ፡ እቲ ወረ ኣብ ዮኣብ ምስ መጸ፡ ዮኣብ ናብ ድንኳን እግዚኣብሄር ሃዲሙ ቐርኒ መሰውኢ ቐጥ ኣቢሉ ሓዞ። 29ዮኣብ ናብ ድንኳን እግዚኣብሄር ከም ዝሃደመን ኣብ ጥቓ መሰውኢ ድማ ከም ዘሎን፡ ንንጉስ ሰሎሞን ነገርዎ። ሽዑ ሰሎሞን ንበናያ ወዲ የሆያዳ፡ ኬድካ ቕተሎ፡ ኢሉ ሰደዶ፡ 30በናያ ኸኣ ናብ ድንኳን እግዚኣብሄር መጺኡ፡ ንጉስ፡ ውጻእ፡ ይብል ኣሎ፡ በሎ። ንሱ ግና፡ ኣይፋለይን፡ ኣብዚ ደኣ እመውት፡ በለ። በናያ ድማ፡ ዮኣብ ከምዚ ተዛሪቡኒ፡ ከምዚውን መሊሱለይ፡ ኢሉ እቲ ነገር ንንጉስ መለሰሉ። 31ንጉስ ከኣ፡ ከምቲ ዝበሎ ግበር፡ ውደቆ እሞ ቅበሮ፡ ነቲ ዮኣብ ዘፍርሰሶ ንጹህ ደም ካባይን ካብ ቤት ኣቦይን ኣርሕቆ። 32ነቶም ካብኡ  ዝጸድቁን ዝሐሹን ዝነበሩ ኽልተ ሰባት፡ ንኣብኔር ወዲ ኔር ሓለቓ ሰራዊት እስራኤልን ንዓማሳ ወዲ የተር ሓለቓ ሰራዊት ይሁዳን፡ ኣቦይ ዳዊት ከይፈለጠ፡ ጠቒዑ ብሴፍ ስለ ዝቐተሎም፡ እግዚኣብሄር ደሙ ናብ ልዕሊ ርእሱ ይምለሰሉ። 33እወ፡ ደሞም ንዘለኣለም ናብ ርእሲ ዮኣብን ናብ ርእሲ ዘርኡን ይመለስ፡ ንዳዊትን ንዘርኡን ንቤቱን ንዝፋኑን ግና ካብ እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ሰላም ይኹን፡ በሎ። 34ሽዑ በናያ ወዲ የሆያዳ ደዪቡ ወቒዑ ቐተሎ። ኣብ ቤቱ ኣብ በረኻ ኸኣ ተቐብረ። 35ንጉስ ድማ ኣብ ክንዳኡ ንበናያ ወዲ የሆያዳ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ሸሞ። ንኻህን ጻዶቅ ከኣ እቲ ንጉስ ኣብ ክንዲ ኣብያታር ገበሮ።
   36እቲ ንጉስ ከኣ ልኢኹ ንሺምዒ ጸዊዑ፡ ኣብ የሩሳሌም ቤት ሰሪሕካ ኣብኡ ተቐመጥ፡ ካብኣ ድማ ናብዝን ናብትን ኣይትውጻእ። 37ክኸውን ድማ እዩ፡ በታ ወጺእካ ንርባ ቄድሮን እትሳገረላ መዓልቲ ርግጽ ከም እትመውት ኣጸቢቕካ ፍለጥ፡ ደምካ ኣብ ርእስኻ ይኹን፡ በሎ። 38ሺምዒ ኸኣ ንንጉስ፡ ጽቡቕ ዘረባ እዩ፡ ከምቲ ጐይታይ ንጉስ እተዛረቦ፡ ጊልያኻ ኸምኡ ይገብር፡ በሎ። ሺምዒ ድማ ኣብ የሩሳሌም ብዙሕ መዓልቲ ተቐመጠ። 39ኰነ ኸኣ፡ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ክልተ ገላዉ ሺምዒ ናብ ኣኪሽ ወዲ ማዓካ፡ ንጉስ ጋት፡ ሃደሙ። ንሺምዒ ድማ፡ ገላዉኻ እነዉ ኣብ ጋት፡ ኢሎም ነገርዎ። 40ሽዒ ሺምዒ ተንስአ፡ ኣድጉ ጽዒኑ ነቶም ገላዉኡ ኽደልዮም ናብ ኣኪሽ ናብ ጋት ከደ። ሺምዒ ኸይዱ ነቶም ገላዉኡ ኻብ ጋት ኣምጽኦም። 41ሺምዒ ኻብ የሩሳሌም ናብ ጋት ከይዱ ኸም እተመልሰ ድማ ንሰሎሞን ነገርዎ። 42እቲ ንጉስ ከኣ ልኢኹ ንሺምዒ ጸዊዑ፡ በታ ወጺእካ ናብዝን ናብትን እትኸደላ መዓልቲ ርግጽ ከም እትመውት ኣጸቢቕካ ፍለጥ፡ ኢለ ብእግዚኣብሄር ኣምሒለካን ኣስሚዔልካንዶ ኣይነበርኩን፡ ንስኻውን፡ እዚ ዝሰማዕክዎ ዘረባ ጽቡቕ እዩ፡ በልካኒ። 43ነቲ ማሕላ እግዚኣብሄርን ነቲ ዝኣዘዝኩኻ ትእዛዝን ደኣ ስለምንታይ ኢኻ ዘይሓሎኻዮ፡ በሎ። 44ንጉስ ድማ ንሺምዒ፡ እቲ ልብኻ ዝፈልጦ ነቦይ ዳዊት ዝገበርካዮ ዂሉ ኽፉእ ነገር ባዕልኻ ትፈልጦ ኣሎኻ። እቲ ኽፍኣትካ ድማ እግዚኣብሄር ናብ ርእስኻ ይምለሰልካ። 45ንጉስ ሰሎሞን ግና ብሩኽ ይኹን፡ ዝፋን ዳዊት ከኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ጽኑዕ ይኹን፡ በሎ። 46ንጉስ ድማ ንበናያ ወዲ የሆያዳ ኣዘዞ፡ ንሱ ወጺኡ ወቕዖ፡ ሞተ ኸኣ። እታ መንግስት ድማ ኣብ ኢድ ሰሎሞን ጸንዐት።

        1ይ ነገስት  ምዕራፍ 3            

   1ሰሎሞን ድማ ምስ ፈርኦን ንጉስ ግብጺ ሕምነት ገበረ እሞ፡ ንጓል ፈርኦን ወሰዳ፡ ቤቱን ቤት እግዚኣብሄርን እቲ ንየሩሳሌም ዝኸብብ ቀጽርን ነዲቑ ኽሳዕ ዝውድእ ከኣ፡ ናብ ከተማ ዳዊት ኣእተዋ። 2ክዳዕ እተን መዓልትታት እቲኣን ገና ንስም እግዚኣብሄር ቤት ኣይተሰርሐን ነበረ እሞ፡ እቲ ህዝቢ ኣብ በረኽቲ ጥራይ ይስውእ ነበረ። 3ሰሎሞን ድማ ንእግዚኣብሄር ፈተዎ እሞ፡ ብሕጋጋት ኣቦኡ ዳዊት ከደ፡ ኣብ በረኽቲ ግዳ ይስውእን ይዓጥንን ነበረ፡
   4ጊብዖን፡ ንሳ እታ ዓባይ ኲርባ ነበረት እሞ፡ እቲ ንጉስ ድማ ኣብኣ ኽስውእ ከደ። ኣብቲ መሰውኢ እቲ ኸኣ ሰሎሞን ሽህ ዝሓርር መስዋእቲ ኣዕረገ። 5ኣብ ጊብዖን እግዚኣብሄር ንሰሎሞን ለይቲ ብሕልሚ ተራእዮ። ኣምላኽ ከኣ፡ እንታይ ከም ዝህበካ ለምን፡ በለ። 6ሰሎሞን ድማ በለ። ንስኻ ንባርያኻ፡ ነቦይ ዳዊት፡ ከምቲ ኣብ ቅድሜካ ብእመንትን ብጽድቅን ብቕንዕና ልብን ምሳኻ እተመላለሶ፡ ብዙሕ ምህረት ገበርካሉ። ነዚ ዓብዪ ምሕረት እዚ ሓሊኻ ኸኣ፡ ከምዚ ሎሚ ኰይኑ ዘሎ፡ ኣብ ዝፋኑ ዝቕመጥ ወዲ ሃብካዮ። 7ሕጂ ድማ፡ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፡ ንባርያኻ ኣብ ክንዲ ኣቦይ ዳዊት ኣንገስካኒ፡ ኣነ ኸኣ መውጽእየይን መእተውየይን ዘይፈልጥ ንእሽቶ ጐበዝ እየ። 8ባርያኻ ድማ ኣብ ማእከል እዚ ዝሓሬኻዮ ህዝብኻ፡ ኣብ ማእከል እዚ ስለ ምብዛሑ ዘይቁጸርን ዘይጽብጸብን ብዙሕ ህዝቢ እየ ዘሎኹ። 9ነዚ ብዙሕ ህዝብኻ እዚ ደኣ መን ክፈርዶ ይኽእል፡ እምበኣርሲ ኣብ መንጎ ጽቡቕን ክፉእን ፈልዩ ንህዝብኻ ምእንቲ ኽፈርድሲ፡ ንባርያኻ ኣስተውዓሊ ልቢ ሃቦ። 10ሰሎሞን እዚ ነገር እዚ ስለ ዝለመነ ድማ፡ ነገሩ ንጐይታይ ባህ ኣበሎ። 11ኣምላኽ ከኣ በሎ፡ ነዊሕ ዕድመ ኣይለመንካን፡ ሃብቲውን ኣይለመንካን፡ ነፍሲ ጸላእትኻ ድማ ኣይለመንካን፡ እዚ ነገር እዚ ደኣ ስለ ዝለመንካ፡ ፍርዲ ንምፍላይ ምስትውዓል ስለ ዝለመንካ፡ 12እንሆ ከምቲ ዘረባካ ገበርኩልካ፡ እንሆ፡ ብቕድሜኻ ኸማካ ዝበለ ዘይነበረ ብድሕሬኻውን ከማኻ ዝበለ ዘይትንስእ፡ ብልህን ኣስተውዓልን ልቢ ሂበካ ኣሎኹ። 13ምስኡ ድማ፡ ብዂሉ ዘመንካ ኣብ መንጎ ነገስታት ከማኻ ዝበለ ዘይርከብ ገይረ ዘይለመንካኒ ሃብትን ክብረትን ሃብኩኻ። 14ከምቲ ኣቦኻ ዳዊት ዝኸዶ ኸኣ፡ ሕጋጋተይን ትእዛዛተይን ክትሕሉ፡ ብመገደይ እንተ ኼድካ፡ ዕድሜኻ ኸንውሕ እየ። 15ሰሎሞን ድማ ተበራበረ፡ እንሆ ኸኣ፡ ሕልሚ እዩ ዝነበረ። ናብ የሩሳሌም መጺኡ ድማ ኣብ ቅድሚ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ቈመ፡ ዝሓርር መስዋእቲ ኸኣ ኣዕረገ፡ መስዋእቲ ምስጋናውን ኣቕረበ። ንዂሎም ገላዉኡ ድማ ምሳሕ ገበረሎም።
   16ሽዑ ኽልተ ኣመናዝር ኣንስቲ ናብ ንጉስ መጺኣን ኣብ ቅድሚኡ ደው በላ። 17እታ ሓንቲ ሰበይቲ ኸኣ በለት፡ ዎ ጐይታይ፡ ኣነን እዛ ሰበይቲ እዚኣን ኣብ ሓንቲ ቤት ኢና እንነብር። ኣብታ ቤት ምስኣ ኸሎኹ ኸኣ ወለድኩ። 18ኰነ ድማ፡ ኣብ ሳልስቲ እታ ዝወለድክል መዓልቲ፡ እዛ ሰበይቲ እዚኣውን ወለደት። ንህና ኸኣ ብሓንሳእ ነበርና፡ ኣብታ ቤት ድማ በጃካ ንሕና ኽልቴና፡ ኣብታ ቤትሲ ጓና ምሳና ኣይነበረን። 19ወዲ እዛ ሰበይቲ እዚኣ ግና፡ ኣብ ልዕሊኡ ስለ ዝደቀሰት፡ ለይቲ ሞተ። 20ፍርቂ ለይቲ ተንሲኣ ኸኣ፡ ገረድካ ደቂሳ ኸላ፡ ነቲ ወደይ ካብ ጐድነይ ወሲዳ ኣብ ሕቑፉ ኣደቀሰቶ፡ ነቲ ምውት ወዲ ግና ኣብ ሕቑፈይ ኣደቀሰቶ። 21ንግሆ ወደይ ከጥቡ ኢለ እንተ ተንሳእኩ፡ እንሆ ኸኣ፡ ሞይቱ ጸንሐ። ንግሆ ምስ ጠመትክዎ ኸኣ፡ እንሆ፡ እቲ ዝወለድክዎ ወደይ ኣይኰነን። 22እታ ኻልኣይቲ ሰበይቲ ኸኣ፡ ኣይፋል፡ እዚ ህያውሲ ወደይ እዩ፡ እቲ ምዉት ከኣ ወድኺ እዩ፡ በለት። እዚኣ ድማ፡ ኣይፋል፡ እቲ ምዉት ደኣ እዩ ወድኺ፡ እዚ ህያው ግና ወደይ እዩ፡ በለት። በዚ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እቲ ንጉስ ተዛራረባ። 23ሽዑ እቲ ንጉስ፡ እዚኣ፡ እዚ ህያው ወደይ እዩ፡ እቲ ምዉት ከኣ ወድኺ እዩ፡ ትብል ኣላ፡ እዚ ኣ ኸኣ፡ ኣይፋል፡ እቲ ምዉት ወድኺ፡ እዚ ህያው ግና ወደይ እዩ፡ ትብል ኣላ፡ በለ፡ 24እቲ ንጉስ ድማ፡ ሴፍ እሞ ኣምጽኡለይ፡ በለ። ናብ ቅድሚ ንጉስ ከኣ ሴፍ ኣምጽኡ። 25እቲ ንጉስ ድማ፡ ነዚ ህያው ሕጻን ኣብ ክልተ ቘሪጽኩም እቲ ፈረቓ ነዛ ሓንቲ፡ እቲ ፈረቓ ኸኣ ነታ ሓንቲ ሃብወን። 26ሽዑ እታ እቲ ህያው ወዳ ዝነበራ ሰበይቲ፡ ስለ ወዳ ኣምዑታ ተናወጸ እሞ፡ እቲ ንጉስ፡ ዎ ጐይታይ፡ እዚ ህያው ሕጻን ንእኣ ሃብዋ እምበር፡ ምቕታልሲ ኣይትቕተልዎ፡ ኢላ ተዛረበቶ። እታ ኻልኣይቲ ግና፡ ንኣይ ወይስ ንኣኺ ኣይኹን፡ ቁረጽዎ ደኣ፡ በለት። 27ሽዑ ንጉስ፡ ምቕታልሲ ኣይትቕተልዎ፡ እዚ ህያው ሕጻን ነዚኣ ሃብዋ፡ ኣዲኡ ንሳ እያ፡ ኢሉ መለሰ። 28ነዚ ንጉስ ዝፈረዶ ፍርዲ ብዘለዉ እስራኤል ሰምዑ። ፍርዲ ንምፍራድ ጥበብ ኣምላኽ ኣብኡ ኸም ዘሎ ረኣዩ እሞ፡ ንንጉስ ፈርህዎ።

        1ይ ነገስት  ምዕራፍ 4            

   1ንጉስ ሰሎሞን ድማ ኣብ ልዕሊ ዂሉ እስራኤል ንጉስ ኰነ። 2ሹማምቱ ኸኣ እዚኣቶም እዮም፡ ኣዛርያ ወዲ ጻዶቅ፡ ካህን፡ 3ኤሊሖረፍን ኣሒያን፡ ደቂ ሺሻ፡ ጸሓፍቲ ነበሩ፡ ዮሳፋጥ ወዲ ኣሒሉድ፡ ጸሓፍ ዛንታ፡ 4በናያ ወዲ የሆያዳ፡ ሓለቓ ሰራዊት፡ ጻዶቅን ኣብያታርን ከኣ ካህናት ነበሩ፡ 5ኣዛርያ ወዲ ናታን ከኣ ንንጉስ ኣማካሪኡን ፈታዊኡን ነበረ። 6ኣሒሻር ኣዛዝ ቤት፡ ኣዶኒራም ወዲ ዓብዳ ድማ ግብሪ ዘኽፍል እዩ ዝነበረ።
   7ሰሎሞን ከኣ ኣብ ልዕሊ ዂሉ እስራኤል ዓሰርተው ክልተ ሹማምቲ ነበርዎ። ንሳቶም ንንጉስን ንቤቱን ይምግቡ ነበሩ። ነፍሲ ወከፎም ኣብ ዓመት ሓሓንቲ ወርሒ ኽምግቡ መዚ ነበሮም። 8ስሞም ከኣ እዚ እዩ፡ ቤንሑር ኣብ ከረን ኤፍሬም፡ 9ቤንደቀር ኣብ ማቃዝን ኣብ ሸዓልቢምን ኣብ ቤትሸመስን ኣብ ኤሎንቤትሓናን፡ 10ቤንሔሰድ ኣብ ኣሩቦት፡ ሸኮት ብዘላ ምድሪ ሔፍርን ንእኡ ነበረ። 11ቤንኣቢናዳብ ኣብ ብዘሎ ሃገር ዶር። ጣፋት ጓል ሰሎሞን ሰበይቱ ነበረት። 12ባዓና ወዲ ኣሒሉድ ኣብ ታዓናክን መጊዶን ኣብ ብዘላ ቤትሸኣን፡ እታ ኣብ ጎቦ ጻሬታን፡ ብትሕቲ ዪዝርሔል፡ ካብ ቤትሸኣን ክሳዕ ኣቤልሚሖላ፡ ክሳዕ ስግር ዮቕመዓም ዘላ፡ 13ቤንገበር ኣብ ራሞት ጊልዓድ፡ እተን ኣብ ጊልዓድ ዘለዋ ዓድታት ያኢር ወዲ ምናሴ ንእኡ ነበራ፡ እታ ኣብ ባሳን ዘላ ምድሪ ኣርጎብ፡ ዕርድታትን መሸጐሪ ኣስራዝን ዘለወን ስሳ ዓበይቲ ኸተማታት ዘለዋ ድማ ንእኡ ነበረት። 14ኣሒናዳብ ወዲ ዒዶ ኣብ ማሓናይም፡ 15ኣሒማዓጽ ኣብ ንፍታሌም፡ ንሱ ድማ ንባስማት ጓል ሰሎሞን ሰበይቱ ኽትኰኖ ወሰዳ። 16ባዓና ወዲ ሑሻይ ኣብ ኣሴርን ኣብ ዓሎትን፡ 17ዮሳፋጥ ወዲ ጳሩኣሕ ኣብ ይሳኮር፡ 18ሺምዒ ወዲ ኤላ ኣብ ብንያም፡ 19ጌበር ወዲ ኡር ኣብ ሃገር ጊልዓድ፡ እታ ናይ ሲሆን ንጉስ ኣሞራውያንን ናይ ኦግ ንጉስ ባሳንን ዝነበረት ሃገር፡ ኣብታ ሃገር እቲኣ ንሱ በይኑ ሹም ነበረ።
   20ይሁዳን እስራኤልን ምብዛሖም ከም ሑጻ ባሕሪ በዚሖም ነበሩ። ይበልዑን ይሰትዩን ይሕጐሱን ነበሩ።
   21ሰሎሞን ድማ ካብቲ ርባ ኽሳዕ ምድሪ ፍልስጥኤማውያንን ክሳዕ ዶብ ግብጽን ኣብ ልዕሊ ዂሎም መንግስትታት ይገዝእ ነበረ። ንሳቶም ንሰሎሞን ብዂሉ ዘመን ህይወቱ ገጽ በረከት የምጽኡሉን ይግዝእዎን ነበረ። 22ምግቢ ሰሎሞን ከኣ ነንመዓልቲ ሰላሳ ቆሮስ ድኹም ሓሪጭ፡ ስሳ ቆሮስ ድማ ካልእ ሓሪጭ፡ 23ዓሰርተ ስቡሓት ኣብዑርን ዕስድራ ኣብዑር ካብ መጓሰይን ሚእቲ በጊዕን ነበረ፡ እዚ ድማ ብዘይ እራባትን ሰሰውሕን ዓጋዝንን ስቡሓት ኣዕዋፍን እዩ። 24ንሱ ድማ ነታ ኣብ ክነጀው ርባ ዘላ ዂላ ሃገር፡ ካብ ቲፍሳሕ ክሳዕ ጋዝ ነቶም ክነጀው ርባ ዝነበሩ ዂሎም ነገስታት ይገዝእ ነበረ። ኣብ ዙርያኡ ኸኣ ብዂሉ ወገን ሰላም ነበሮ። 25ይሁዳን እስራኤልን ድማ ካብ ዳን ክሳዕ ብኤርሸባዕ ብዂሉ ዘመን ሰሎሞን ነፍሲ ወከፍ ኣብ ትሕቲ ወይኑን በለሱን ብህድኣት ይቕመጥ ነበረ፡ 26ሰሎሞን ድማ ንሰረገላታቱ ኣርብዓ ሽሕ ስፍራ ኣፍራስ፡ ዓሰርተው ክልተ ሽሕ ከኣ ፈረሰኛታት ነበርዎ። 27እቶም ሹማምቲ እቲኣቶም ድማ ንንጉስ ሰሎሞንን ነቶም ናብ መኣዲ ንጉስ ሰሎሞን ዝቐርቡ ዂላቶምን ነፍሲ ወከፍ ወወርሖም ይምግቡ ንበሩ፡ ገለ ነገር እኳ ኣየጒድሉን ነበሩ። 28ነፍራስን ነቶም ጋለብት ኣፍራስን ዝኸውን ነፍሲ ወከፍ ከምቲ እተሰርዖ ስገምን ሓሰርን ናብታ ንሱ ዘለዋ ቦታ የምጽኡ ነበሩ።
   29ኣምላኽ ድም ንሰሎሞን ኣዝዩ ብዙሕ ጥበብን ምስትውዓልን ኣብ ገምገም ባሕሪ ኸም ዘሎ ሑጻ ዝምርሓቡ ልብን ሃቦ። 30ጥበብ ሰሎሞንሲ ኻብ ጥበብ ኲሎም ደቂ ምብራቕን ካብ ኲሉ ጥበብ ግብጽን በዝሐ። 31ካብ ኲሉ ሰብ ከኣ፡ ካብ ኤታን እት እዝራሓውን ካብ ሄማንን ካልኮል ዳርዳን፡ ደቂ ማሖል፡ ይጠብብ ነበረ። ስሙ ኸኣ ናብቶም ኣብ ዙርያኡ ዘለዉ ዂሎም ህዝብታት ወጸ፡ 32ሰለስተ ሽሕ ምስላ ድማ መሰለ፡ መዝሙራቱውን ሽሕን ሓሙሽተን ነበረ። 33ብዛዕባ ኣእዋም ከኣ ካብቲ ኣብ ሊባኖስ ዘሎ ቄድሮስ ክሳዕ እቲ ኣብ መንደቕ ዝበቁል ስምዕዛ ተዛረበሉ። ብዛዕባ እንስሳን ብዛዕባ ኣዕዋፍን ብዛዕባ ለመምታን ብዛዕባ ዓሳታትን ድማ ተዛረበ። 34ካብ ኲሎም ህዝብታት ድማ፡ ካብቶም ጥበቡ ዝሰምዑ ዂሎም ነገስታት ምድሪ፡ ጥበብ ሰሎሞን ክሰምዑ ይመጹ ነበሩ።

        1ይ ነገስት  ምዕራፍ 5            

   1ሒራም ንጉስ ጢሮስ ድማ፡ ሰሎሞን ኣብ ክንዲ ኣቦኡ ኽነግስ ከም እተቐብኣ ሰሚዑ ነበረ እሞ፡ ሒራም ከኣ ኲሉ ግዜ ፈታው ዳዊት ስል ዝነበረ፡ ገላዉኡ ሰደደሉ። 2ሰሎሞን ድማ ልኢኹ ንሒራም በሎ፡ 3ኣቦይ ዳዊት ብሰሪ እቲ ኣብ ዙርያኡ ዝነበረ ውግእ፡ እግዚኣብሄር ንኣታቶም መርገጽ እግሩ ኽሳዕ ዝገብሮም፡ ንስም እግዚኣብሄር ኣምላኹ ቤት ክሰርሕ ከም ዘይተኻእሎ፡ ንስኻ ትፈልጥ ኣሎኻ። 4ሕጂ ግና እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ብዂሉ ዙርያ ኣዕሪፋኒ እዩ፡ ገለ ተጻራሪ የልቦን፡ ገለ ናይ ድንገት ነገር ድማ የልቦን። 5እንሆ ኸኣ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ነቦይ ዳዊት፡ እቲ ኣብ ክንዳኻ ኣብ ዝፋንካ ዘቐምጦ ወድኻ፡ ንሱ ንስመይ ቤት ክሰርሕ እዩ፡ ኢሉ እተዛረቦ፡ ንስም እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ቤት ክሰርሃሉ እሓስብ ኣሎኹ። 6ሕጂ ኸኣ ካባናስ ከም ሲዶናውያን ገይሩ ምቑራጽ ኦም ዝፈልጥ ከም ዜልብ፡ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ እሞ፡ ካብ ሊባኖስ ኣእዋም ቄድሮስ ክቘርጹለይ ኣዝዝ። ገላዉኻ ድማ ከምቲ እትብለኒ ዂሉ ገይረ ኽህበካ እየ።
   7ኰነ ኸኣ፡ ሒራም ዘረባ ሰሎሞን ምስ ሰምዐ፡ ኣዝዩ ተሓጒሱ፡ ንዳዊት ኣብ ልዕሊ እዚ ብዙሕ ህዝቢ እዚ ጥበበኛ ወዲ ዝህቦ እግዚኣብሄር ሎሚ ብሩኽ ይኹን፡ በለ፡ 8ሒራም ድማ ናብ ሰሎሞን ልኢኹ፡ እቲ ዘለኣኽካለይ ሰሚዐዮ ኣሎኹ፡ ብዛዕባ ኣእዋም ቄድሮስን ብዛዕባ ኣእዋም ጽሕድን ኣነ ዂሉ ድላይካ ኽገብር እየ። 9ገላዎይ ካብ ሊባኖስ ናብ ባሕሪ ኸውርድዎ እዮም፡ ኣነ ኸኣ ጠሚረ ብባሕሪ ገይረ ናብታ እትልእከለይ ቦታ ኣብዚሐ ኣብኡ ኽፈትሖ እየ፡ ንስኻውን ትወስዶ። ንስካ ድማ ንቤተይ ምግቢ ብምሃብካ ድላየይ ትገብረለይ፡ በሎ። 10ሒራም ከኣ ንሰሎሞን ኣእዋም ቄድሮስን ኣእዋም ጽሕድን ዝደለዮ ዘበለ ሃቦ። 11ሰሎሞን ከኣ ንሒራም ዕስራ ሽሕ ቆሮስ ስርናይን ዕስራ ቆሮስ ጽሩይ ዘይትን ንምግቢ ቤቱ ዝኸውን ሃቦ። ሰሎሞን ንሒራም ዓመት ንዓመት ከምኡ ይህቦ ነበረ። 12እግዚኣብሄር ድማ ንሰሎሞን፡ ከምቲ ዘተስፈዎ፡ ጥበብ ሃቦ። ኣብ መንጎ ሒራምን ሰሎሞንን ከኣ ሰላም ነበረ፡ ክልቲኣቶም ድማ ኪዳን ተኣታትዉ።
   13ንጉስ ሰሎሞን ድማ ካብ ብዘሎ እስራኤልስ ሓርዩ ዓየይቲ ኣከበ፡ እቶም ዓየይቲ ኸኣ ሰላሳ ሽህ ኰነ። 14እናባራረየ ድማ በብወርሒ ዕሰርተ ሽህ ናብ ሊባኖስ ይሰዶም ነበረ። ሓደ ወርሂ ኣብ ሊባኖስ፡ ክልተ ወርሒ ኣብ ገዛኦም ነበሩ፡ ኣዶኒራም ከኣ ኣብ ልዕሊ እቶም ዓየይቲ ነበረ። 15-16ድማ ብዘይ እቶም ነቲ ኣብ ዕዮ ዝዓዪ ህዝቢ ኽእዝዙ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ዕዮ እተሸሙ ሰለስተ ሽሕን ሰለስተ ሚእትን ሓልቑ ሹማምቲ ሰሎሞን ንሰሎሞን ጾር ዝጾሩ ሰብዓ ሽሕ፡ ኣብ ከረን ኰይኖም ዝወቕሩ ኸኣ ሰማንያ ሽሕ ነበርዎ። 17ንጉስ ድማ እታ ቤት ብውቑር እምኒ ምእንቲ ኽትስረትሲ፡ ገዘፍቲ ኣእማንን ክቡራት ኣእማንን ክዂዕቱ ኣዘዘ። 18እቶም ነዳቖ ሰሎሞንን ነዳቖ ሒራምን እቶም ጊብላውያንን ኰይኖም ከኣ ንመስርሒ እታ ቤት ኣዕጻውን ኣእማንን ቈረጹን ኣዳለዉን።

        1ይ ነገስት  ምዕራፍ 6            

   1ኰነ ድማ፡ በታ ደቂ እስራኤል ካብ ምድሪ ግብጺ ዝወጹላ መበል ኣርባዕተ ሚእትን ሰማንያን ዓመት፡ ኣብ ራብዓይቲ ዓመት ምንጋስ ሰሎሞን ኣብ ልዕሊ እስራኤል፡ ኣብ ወርሂ ዚፍ፡ ንሳ እታ ኻልኣይቲ ወርሒ፡ ምስራሕ ቤት እግዚኣብሄር ጀመረ። 2እታ ንጉስ ሰሎሞን ንእግዚኣብሄር ዝሰርሓሉ ቤት ድማ ምንዋሓ ስሳ እመት፡ ምግፋሓ ኸኣ ዕስራ እመት፡ ቁመታውን ሰላሳ እመት ነበረ። 3እቲ ኣብ ቅድሚ ቤት መቕደስ ዝነበረ ገበላ ድማ ምንዋሑ ኸም ምግፋሕ እታ ቤት ዕስራ እመት፡ ምግፋሑ ኣብ ቅድሚ እታ ቤት ከኣ ዓሰርተ እመት ነበረ። 4ነታ ቤት ድማ ዘይነቓነቕ መሳዂቲ ዓይነ ርግቢ ገበረላ። 5ምስ መንደቅ እታ ቤት ኣጸጊዑ ኸኣ ኣብ ዙርያኣ፡ ኣብ ጸግዒ መንደቕ እታ ቤት፡ ኣብ ዙርያ መቕደስን ቅድስተ ቅዱሳንን ክፍልታት ቤት ሰርሐ። 6እቲ ኣግማል ኣብ ውሽጢ እቲ መንደቕ እታ ቤት ከይተሓዝሲ፡ ኣብቲ መንደቕ እታ ቤት ብግዳም ዙርይኣ ሕድጋት ገበረላ እሞ፡ እታ ታሕተይቲ ኽፍሊ ምግፋኣ ሓሙሽተ እመት፡ እታ ማእከለይቲ ድማ ምግፋሓ ሹድሽተ እመት፡ እታ ሳልሰይቲ ኸኣ ምግፋሓ ሾብዓተ እመት ነበረ። 7እታ ቤት ክትስራህ ከላ ኸኣ፡ ኣብቲ እተዃዕተላ ቦታ ብእተዳለወ ኣእማንን ተሰርሐት እሞ፡ ክትስራህ ከላ ሞደሻ ዀነ፡ ምሳር ኰነ፡ ወይ ዝዀነ ኣቕሓ ሓጺን ኣብታ ቤት ኣይተሰምዐን። 8ደገ እታ ማእከለይቲ ኽፍሊ ቤት ብወገን የማን እታ ቤት ነበረ፡ ናብታ ማእከለይቲ ኽፍሊ ቤት ብወገን የማን እታ ቤት ነበረ፡ ናብታ ማእከለይቲ ኽፍሊ ቤት፡ ካብታ ማእከለይቲ ናብታ ሳልሰይቲ ድማ ብተጠዋወየ መሳልል ይድይቡ ነበሩ። 9ነታ ቤት ከኣ ሰርሓ ፈጸማውን። ነታ ቤት ከኣ በግማልን በኣልዋሕ ቄድሮስን ከደና። 10ኣብ ብዘሎ ጸግዒ እታ ቤት ድማ ሓሙሽተ እመት ዝቑመቱ ኽፍልታት ቤት ሰርሐ፡ ምስታ ቤት ከኣ በእዋም ቄድሮስ ኣጋጠምዎ።
   11ከምዚ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ ናብ ሰሎሞን መጸ፡ 12ብዛዕባ እዛ ንስኻ እትሰርሓ ዘሎኻ ቤት፡ ብሕጋጋተይ እንተ ኼድካ፡ ፍርድታተይ ከኣ እንተ ገበርካ፡ ንዂሉ ትእዛዛተውን ክትከደሉ እንተ ሓሎኻዮ፡ እቲ ነቦኻ ዳዊት እተዛረብክዎ ቓለይ ምሳኻ ኸጽንዖ እየ። 13ኣብ ማእከል ደቂ እስራኤል ድማ ክነብር እየ፡ ንህዝበይ እስራኤል ከኣ ኣይሓድጎን እየ።
   14ሰሎሞን ድማ ነታ ቤት ሰሪሑ ፈጸማ። 15ንመንደቕ እታ ቤት ብወገን ውሽጣ ኸኣ ብኣልዋሕ ቄድሮስ ሰርሖ። ካብ ምድሪ ቤት ክሳዕ እቲ ሰርወ ተነቢርዎ ዘሎ መንደቕ ነቲ ውሽጢ ብዕጨይቲ ኸደኖ። ነቲ ምድሪ ቤትውን ብኣልዋሕ ጽሕዲ ኸደኖ። 16ንውሻጠ እታ ቤት ድማ ካብ ምድሪ ቤት ክሳዕ እቲ ላዕላይ መንደቕ ዕስራ እመት ብኣልዋሕ ቄድሮስ ሰርሖ፡ እዚ ኽኣ ንቤት ራእይ ክዀኖ፡ ንቅድስተ ቅዱሳን ሰርሖ። 17እቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ቤት፡ ንሱ ድማ እቲ መቕደስ፡ ኣርብዓ እመት ነበረ። 18ኣብ ውሽጢ ቤት ከኣ ኣጒማን ክፉት ዕምባባን እተቐርጸ ቄድሮስ ነበረ። ኲሉ ቄድሮስ ነበረ፡ እምኒ እኳ ኣይተራእየን፡ 19ኣብ ማእከል እቲ ቤት ድማ ኣብ ውሽጡ፡ ኣብኡ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ከንብረሉ፡ ቤት ራእይ ኣዳለወ፡ 20ውሽጢ እቲ ቤት ራእይ ከኣ ምንዋሑ ዕስራ እመት፡ ምግፋሑ ከኣ ዕስራ እመት፡ ቁመቱውን ዕስራ እመት ነበረ፡ ብጽሩይ ወርቂ ኸኣ ለበጦ፡ ነቲ መሰውኢ ድማ ብቄድሮስ ከደኖ። 21ሰሎሞን ከኣ ነቲ ቤት ብውሽጡ ብጽሩይ ወርቂ ለበጦ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ቤት ራእይ ድማ ዝጋረድ ሰንሰለት ወርቂ ገበረ፡ ብወርቂ ኸኣ ለበጦ። 22እቲ ቤት ኲሉ ኽሳዕ ዝፍጸም ድማ፡ ንብዘሎ እቲ ቤት ብወርቂ ለበጦ፡ ንዂሉ እቲ መሰውኢ ቤት ራእይውን ብወርቂ ለበጦ። 23ኣብቲ ቤት ራእይ ከኣ ዓሰርተ እመት ዝቑመቶም ክልተ ኪሩቤል ካብ ኦም ኣውልዕ ገበረ። 24ሓንቲ ኽንፊ እቲ ኪሩቤል ድማ ሓሙሽተ እመት፡ ካልኣይቲ ኽንፊ እቲ ኪሩቤል ከኣ ሓሙሽተ እመት ነበራ። ካብ ጫፍ እታ ሓንቲ ኽንፊ ኽሳዕ ጫፍ እታ ሓንቲ ኽንፊ ዓሰርተ እመት ነበረ። 25እቲ ኻልኣይ ኪሩቤልውን ዓሰርተ እመት ነበረ። እቶም ኪሩቤል ክልቲኣቶም ልክዖም ሓደ፡ ምስሎም ከኣ ሓደ ነበረ። 26ቁመት እቲ ሓደ ኪሩቤል ዓሰርተ እመት፡ ናይቲ ኻልኣይ ኪሩቤልውን ከምኡ ነበረ። 27ነቶም ኪሩቤል ከኣ ኣብ ማእከል እቲ ውሽጣዊ ቤት ገበሮም። ኣኽናፍ እቶም ኪሩቤል ድማ ተዘርጊሐን ነበራ፡ ክንፊ እቲ ሓደ ነቲ ሓደ መንደቕ ተንከዮ፡ ክንፊ እቲ ኻልኣይ ኪሩቤል ከኣ ነቲ ኻልኣይ መንደቅ ተንከዮ፡ ኣብ ማእከል እቲ ቤት ድማ ኣኽናፎም ክንፊ ንኽንፊ ተታናኸያ። 28ነቶም ኪሩቤልውን ብወርቂ ለበጦም።
   29ኣብ ኲሉ መንደቕ እቲ ቤት ብዙርያ ድማ ብውሽጥን ብግዳምን፡ ናይ ቅርጺ ምስልታት ኪሩቤልን ስየን ክፉት ዕምባባታትን ቀረጸ። 30ነቲ ምድሪ ቤት ከኣ ብውሽጥን ብግዳምን ብወርቂ ለወጦ። 31ንደገ እቲ ቤት ራእይ ድማ ካብ ኦም ኣውልዕ መዓጹ ገበረሉ፡ ላዕላይ ልዳትን ቀዋሚ ልዳትን ካብቲ መንደቕ ሓምሳይ ኢድ ነበረ። 32ካብ ኦም ኣውልዕ ክልተ መዓጹ ገይሩ ድማ ኣብአን ቅርጺ ኪሩቤልን ስየን ክፉት ዕምባባን ቀረጸ፡ ብወርቂውን ለበጠን፡ ነቲ ወርቂ ከኣ ኣብ ልዕሊ ኪሩቤልን ኣብ ልዕሊ ስየን ዘርግሖ። 33ከምኡ ድማ ነቲ ደገ መቕደስ ካብቲ መንደቕ ራብዓይ ኢድ ዝምርጓዱ ኻብ ኦም ኣውልዕ ልዳውቲ ገበረሉ። 34ካብ ኦም ጽሕዲ ድማ ክልተ ማዕጾ ገበረ፡ እቲ ሓደ ማዕጾ ኽልተ ዝዘውር ክፍሊ ነበሮ፡ እቲ ኻልኣይ ማዕጾ ኸኣ ክልተ ዝዘውር ክፍሊ ነበሮ። 35ኣብኡ ድማ ኪሩቤልን ስየን ክፉት ዕምባባን ቀሪጹ፡ ነቲ ቕርጺ ብወርቂ ኣዳላዲሉ ለበጦ።
   36ነቲ ውሽጣዊ ኣጸድ ከኣ ሰለስተ መስርዕ ብጽሩብ እምኒ፡ ሓደ መስርዕ ድማ ብኦም ቄድሮስ ሰርሖ።
   37እቲ ቤት እግዚኣብሄር ኣብ ራብዓይ ዓመት፡ ኣብ ወርሂ ዚፍ ተመስረተ፡ 38ኣብ መበል ዓሰርተው ሓደ ዓመት፡ ኣብ ወርሒ ቡል፡ ንሳ ሳምነይቲ ወርሒ፡ እቲ ቤት ብዂሉ ኽፍልታቱውን ከምቲ እተመደበ ዂሉን ተፈጸመ። ብሾብዓተ ዓመት ሰርሖ።

        1ይ ነገስት  ምዕራፍ 7  

   1ሰሎሞን ድማ ንቤቱ ብዓሰርተው ሰለስተ ዓመት ሰርሓ፡ ንብዘላ ቤቱ ኸኣ ፈጸማ። 2ቤት ዱር ሊባኖስ ድማ ሰርሐ፡ ምንዋሓ ሚእቲ እመት፡ ምግፋሓ ኸኣ ሓምሳ እመት፡ ቁመታውን ሰላሳ እመት ነበረ። ኣብ ልዕሊ ኣርባዕተ መስሮ ኣዕኑድ ቄድሮስ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣዕኑድ ድማ ጽሩብ ኣግማል ቄድሮስ ገይሩ ሰርሓ። 3እቲ ናሕሳ ድማ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣርብዓን ሓሙሽተን ዓንዲ ዝነበረ ኣግማል ብቄድሮስ እተሰርሐ ናሕሲ ነበረ፡ እቲ ኣዕኑድ ከኣ ኣብ መመስርዕ ዓሰርተዉ ሓሙሽተ ነበረ። 4ሰለስተ መስርዕ ዓይነ ርግቢ፡ መስኮት ኣብ መንጽር መስኮት ከኣ ኣብ ሰለስተ መስርዕ ነበረ። 5ኲሉ ደጌታትን ልዳውትን ድማ ኣርባዕተ መኣዝን ነበረ፡ መስኮት ኣብ መንጽር መስኮት ከኣ ኣብ ሰለስተ መስርዕ ነበረ። 6ገበላ ድማ ሓምሳ እመት ዝምንዋሑ፡ ሰላሳ እመት ዝምግፋሑ በዕኑድ ገይሩ ሰርሐ። ኣብ ቅድሚኡ ድማ ሓደ ገበላ፡ ኣብ ቅድሚ እዚ ኸኣ ኣዕኑድን መሳልልን ነበረ። 7ድማ መጋባእያ ዝወጸሉ ገበላ ዝፋን፡ ንሱ ገበላ ፍርዲ፡ ሰርሐ። ካብ ምድሪ ቤት ክሳዕ ናሕሲ ብሉሕ ተኸዲኑ ነበረ። 8እታ ዝቕመጠላ ቤቱ ድማ ኣብቲ ኻልኣይ መከበብያ ኣብ ውሽጢ እቲ ገበላ ዝነበረት ከምኡ ዀይና ተሰሪሓ ነበረት። ሰሎሞን ነታ ዘእተዋ ጓል ፈርኦን ከኣ ክምዚ ገበላ እዚ ዝበለት ቤት ሰርሓላ።
   9እዚ ዂሉ ድማ ካብ መሰረት ክሳዕ እቲ ላዕላይ ወሰን፡ ብወጻኢ ኸኣ ክሳዕ እቲ ዓብዪ መካበብያ፡ በቲ ብልክዕ እተቘርጸ፡ ብውሽጥን ብግዳምን ብመጋዝ እተመገዘ ኽቡር ኣእማን ተሰርሐ። 10እቲ መሰረት ድማ ብኽቡር ኣእማን፡ ብዓበይቲ ኣእማን፡ ብዓሰርተ እመት ዝምንዋሑ ኣእማንን ሾሞንተ እመት ዝምንዋሑ ኣእማንን ተሰረተ። 11ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ብልክዕ እተቘርጸ ኽቡር ኣእማንን ኦም ቄድሮስን ነበረ። 12ነቲ ዓብዪ መካበብያ ቤት እግዚኣብሄርን ከም ገበል እቲ ቤትን፡ ሰለስተ መስርዕ እተቘርጸ ኣእማንን ሓደ መስርዕ እተጸርበ ሉሕ ቄድሮስን ነበሮ።
   13ንጉስ ሰሎሞን ድማ ልኢኹ ንሒራም ካብ ጢሮስ ኣምጽኦ። 14ንሱ ወዲ ሓንቲ መበለት ሰበይቲ ኻብ ነገድ ንፍታሌም ነበረ። ኣቦኡ ኸኣ ብዓል ጢሮስ፡ ኣንጠረኛ ኣስራዚ ነበረ። ንሱ ድማ ኲሉ ስራሕ ኣስራዚ ንምግባር ጥበብን ምስትውዓልን ፍልጠትን መሊእዎ ነበረ። ናብ ንጉስ ሰሎሞን መጺኡ ኸኣ፡ ዕዮኡ ዘበለ ገበረሉ።
   15ንሱ ድማ ነቲ ዓሰርተው ሾሞንተ እመት ዝቑመቱ ኽልተ ዓንዲ እስራዚ ሰርሐ። ነናይ ሓደ ዓንዲ ዙርያ ኸኣ ዓሰርተው ክልተ እመት ዝምንዋሁ ገመድ ገበረ። 16ኣብ ርእሲ እቲ ኣዕኑድ ክንበር ድማ ካብ ዝፈሰሰ ኣስራዚ ኽልተ ጒልላት ሰርሐ። ቁመት እቲ ሓደ ጒልላት ሓሙሽተ እመት፡ ቁመት እቲ ኻልኣይ ጒልላት ከኣ ሓሙሽተ እመት ነበረ። 17ነቲ ኣብ ርእሲ ኣዕኑድ ዝነበረ ጒልላት ድማ ከም ስራሕ መንፊት ዝበለ ዓይነ ርግብን ከም ስራሕ ሰንሰለት ዝበለ ትትዖን ነበሮ፡ ነቲ ሓደ ጒልላት ሾብዓተ፡ ነቲ ኻልኣይ ጒልላት ከኣ ሾብዓተ ነበሮ፡ 18ነቲ ኣዕኑድ ምስ ገበረ ድማ፡ ነቲ ኣብ ርእሲ ኣዕኑድ ዝነበረ ጒልላት ክኸድን፡ ኣብ ዙርያ እቲ ሓደ ዓይነ ርግቢ ኽልተ መስርዕ ሮማን ገበረ፡ ነቲ ኻልኣይ ጒልላትውን ከምኡ ገበሮ። 19እቲ ኣብ ገበላ ኣብ ርእሲ ኣዕኑድ ዝነበረ ጒልላት ከኣ ከም ዕምባባ ሹሻን መሲሉ እተሰርሄ፡ ምንዋሑ ኣርባዕተ እመት ነበረ። 20ኣብ ልዕሊ ኽልቲኡ ኣዕኑድ ድማ ምስቲ ኣብ ውሽጢ እቲ ዓይነ ርግቢ ዘሎ ኸብዲ ዝገጠመ ጒልላት ከኣ ኣብ ዙርያኡ በብመስሮ ክልተ ሚእቲ ሮማን ነበረ። 21ነቲ ኣዕኑድ ድማ ኣብ ገበላ እቲ መቕደስ ኣቘሞ። ነቲ የማናይ ዓንዲ ተኺሉ ኸኣ ስሙ ቦዓዝ ኣውጽኣሉ። 22ኣብ ርእሲ ኣዕኑድ ከኣ ከም ዕምባባ ሹሻን ዝበለ ስራሕ ነበረ። በዚ ኸምዚ ዕዮ እቲ ኣዕኑድ ተፈጸመ፡
   23ናይ ፍሲ ባሕሪ ድማ ካብ ወሰን ክሳዕ ወሰን ዓሰርተ እመት ዝምግፋሑ ብዙርያኡ ኸቢብ ገይሩ ሰርሐ፡ ቁመቱ ኸኣ ሓሙሽተ እመት ነበረ፡ ብዘሎ እቲ ዙርያኡ ድማ ስፍሩ ብሰላሳ እመት ዝምንዋሑ ገመድ ነበረ፡ 24ኣብ ትሕቲ እቲ ወሰን ከኣ ብዙርያኡ ኣጒማ ኣዞረሉ፡ ብዙርያ እቲ ባሕሪ በብእመት ዓሰርተ ዀይኑ ምስኡ ብሓደ ፈሰሰ። 25ኣብ ልዕሊ ዓሰርተው ክልተ ብዕራይ ተነብረ፡ ሰለስተ ንሰሜን ገጾም፡ ሰለስተ ድማ ንምዕራብ ገጾም፡ ሰለስተ ኸኣ ንደቡብ ገጾም፡ ሰለስተውን ንምብራቕ ገጾም ነበሩ። እቲ ባሕሪ ድማ ኣብ ልዕሊኦም ነበረ። 26ምርጓዱ ድማ ጋት ነበረ፡ ወሰኑ ኸኣ ከም ስራህ ወሰን ጽዋእ ከም ዝዓምበበ ሹሻን ነበር። ክልተ ሽሕ ባት ይሕዝ ነበረ።
   27ናይ ኣስራዚ ሰረት ከኣ ዓሰርተ ገበረ፡ ሓደ ሰረት ድማ ምንዋሑ ኣርባዕተ እመት፡ ምግፋሑ ኸኣ ኣርባዕተ እመት ቁመቱውን ሰለስተ እመት ነበረ። 28ኣሰራርሓ እቲ ሰረታት ድማ ከምዚ ነበረ፡ ክቡሳት ነበሮ፡ ኣብ መንጎ መጋጠሚታት ከኣ ክቡሳት ነበረ። 29ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ መንጎ መጋጠሚታት ዝነበረ ኽቡሳት ድማ ኣናብስን ኣብዑርን ኪሩቤልን ነበረ። ኣብ ልዕሊ እቲ መጋጠሚታት ከኣ ኣብ ላዕላዩ ኸምኡ ነበረ፡ ኣብ ትሕቲ ኣናብስን ኣብዑርን ድማ ከም ትትዖ እተገብረ ቘጽሊ ተንጠልጢሉ ነበረ። 30ንንሓደ ሰረት ከኣ ኣርባዕተ መንኰርኰር ኣስራዚ፡ ንእኡ ዝሕዝ ኣርዑት ኣስራዚ ድማ ነበሮ። ኣብ ኣርባዕቲኡ እግሩ ኸኣ መናኲብ ነበሮ፡ እቲ መናኵብ ምስቲ ኣብ ወወገኑ ዝነበረ ትትዖ ቘጽሊ ኣብ ትሕቲ እቲ ገበራ ዝፈሰሰ ነበረ። 31ኣፉ ድማ ብውሽጢ እቲ ጒልላት፡ ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ሓደ እመት ነበረ፡ እቲ ኣፉ ኸኣ ከቢብ ከም ስራሕ እግሪ ዓንዲ፡ እመትን ፈረቓን ነበረ። ኣብ ልዕሊ ኣፉ ድማ ቅርጽታት ነበሮ፡ ክቡሳቱ ኸኣ ኣርባዕተ ጥርዚ ነበረ እምበር፡ ከቢብ ኣይነበረን። 32እቲ ኣርባዕተ መንኰርኰር ድማ ብትሕቲ እቲ ኽቡሳት ነበረ፡ መትሓዝ መንኰራዂር ከኣ ኣብቲ መቐመጢ ለጊቡ ነበረ፡ ነናይ ሓደ መንኰርኰ ቁመትውን እመትን ስድርን ነበረ። 33ስራሕ እቲ መንኰራዂር ድማ ከም ስራሕ መንኰርኰር ሰረገላ ነበረ፡ መትሓዚኡን ዕንክሊሉን ቅትርቱን ሕምብርቱን ኲሉ ፍሲ ነበረ። 34ነንሓደ ሰረት ከኣ ኣብ ኣርባዕቲኡ መኣዝን ኣርባዕተ መንኲብ ነበሮ፡ እቲ መንኲብ ምስቲ ሰረት ብሓደ ነበረ። 35ኣብ ርእሲ እቲ ሰረት ድማ ብዙርያኡ ፈረቓ እመት ዝቑመቱ ኸቢብ፡ ኣብ ርእሲ እቲ ሰረት ከኣ እቲ መደገፊታቱን ክቡሳቱን ምስኡ ሓደ ነበረ። 36ኣብ ገጽ እቲ መደገፊታቱን ኣብ ክቡሳቱን ከከም ስፍራኡ ብዙርያኡ ኪሩቤልን ኣናብስን ስየን ምስትትዖ ቘጽልን ቀረጸሉ። 37ከምዚ ነቲ ዓሰርተ መቐመጢ፡ ንዂሉ ምፍሳሱ ሓደ፡ ልክዑ ሓደ፡ መልክዑ ሓደ ገይሩ መርሖ። 38ዕሰርተ ገበራ ኣስራዚ ድማ ሰርሐ፡ ሓደ ገበራ ኣርብዓ ባት ይሕዝ ነበረ፡ እቲ ገበራታት ሓሓዲኡ ኣርባዕተ እመት ነበረ። ነቲ ዓሰርተ ሰረት፡ ነንሓደ ሰረት ሓደ ገበራ ነበሮ። 39ነቲ ሰረታት ድማ ሓሙሽተ ብወገን የማን እታ ቤት፡ ሓሙሽተ ኸኣ ብወገን ጸጋም እታ ቤት ኣንበሮ፡ ነቲ ባሕሪ ድማ ብወገን የማን እታ ቤት፡ ብምብራቕ ደቡብ ኣንበሮ። 40ሒራም ከኣ ገበራታትን መጽሓርያታትን ጭሐሎታትን ሰርሐ።
   በዚ ኸምዚ ሒራም ነቲ ንጉስ ሰሎሞን ንቤት እግዚኣብሄር ዝሰርሓሉ ዂሉ ዕዮ ፈጸሞ፡ 41ነቲ ኽልተ ዓንድን ናይቲ ኣብ ርእሲ እቲ ኽልተ ዓንዲ ዝነበረ ጒልላት ከበብትን፡ ነቲ ኣብ ርእሲ ኣዕኑድ ዝነበረ ናይ ጒልላት ከበብቲ ዝኸድን ክልተ ኣዕኑድ ዝነበረ ናይ ጒልላት ከበብቲ ዝኸድን ክልተ ዓይነ ርግብን፡ 42ናይቲ ኽልተ ዓይነ ርግቢ ኣርባዕተ ሚእቲ ሮማን ከኣ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ኽልተ ኣዕኑድ ዝነበረ ጒልላት፡ ነቲ ኸበብቱ ዝኸድን ነንሓደ ዓይነ ርግቢ ኽልተ መስርዕ ሮማን፡ 43ድማ ነቲ ዓሰርተ ሰረትን፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሰረታት ዘሎ ዓሰርተ ገበራን፡ 44ነቲ ሓደ ባሕርን ነቶም ትሕቲ እቲ ባሕሪ ዘለዉ ዓሰርተው ክልተ ብዕራይን። 45ድስትታትን መጽሓሪታትን ጭሐሎታትን፡ እዚ ዂሉ ሒራም ንንጉስ ሰሎሞን ንቤት እግዚኣብሄር ዝሰርሓሉ ኣቓሑ ኻብ ጽሩይ ኣስራዚ ነበረ። 46እቲ ንጉስ ኣብ ጐልጐል ዮርዳኖስ ኣብ መንጎ ሱኰትን ጻርታን፡ ኣብ መሬት ጥዑም ኣፍሰሶ። 47ሰሎሞን ድማ ንዂሉ ኣቓሑ ኻብ ኣዝዩ ምብዛሑ እተላዕለ ኸይመዘነ ሓደሆ፡ ሚዛን እቲ ኣስራዚ ኸኣ ኣይተመርመረን።
   48ሰሎሞን ከኣ ነቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዘሎ ዂሉ ኣቓሑ ሰርሐ፡ ናይ ወርቂ መሰውእን፡ ነቲ እንጌራ ምርኣይ ኣብ ልዕሊኡ ዝንበሮ ሰደቓ ወርቅን፡ 49ነቲ ኣብ ቅድሚ ቤት ራእይ ዘሎ ኻብ ጽሩይ ወርቂ እተገብረ ቐዋሚ ቐነዲል፡ ሓሙሽተ ብየማን፡ ሓሙሽተ ብጸጋም፡ ነቲ ናይ ወርቂ ዕምባባታትን ቅልዒ ቐነዲልን መሳቐይታትን ከኣ፡ 50ነቲ ናይ ጽሩይ ወርቂ ጽዋኣትን ካራታትን ጭሐሎታትን ማንካታትን ጽንሃታትን ድማ፡ ነቲ ናይ ውሽጣዊ ቤት፡ ናይ ቅድስተ ቅዱሳን መዓጹን፡ ናይ መቕደስ መዓጹን ወንድወንዶታት ወርቂ ኸኣ ሰርሐ።
   51እቲ ንጉስ ሰሎሞን ንቤት እግዚኣብሄር ዝዓየዮ ዂሉ ዕዮ ኸኣ ተወድአ። ሰሎሞን ድማ እቲ ኣቦኡ ዳዊት ንእግዚኣብሄር ዝቐደሶ፡ ነቲ ብሩርን ነቲ ወርቅን ነቲ ኣቓሑን ኣምጺኡ ኣብ መዛግብ ቤት እግዚኣብሄር ኣንበሮ።

        1ይ ነገስት  ምዕራፍ 8 

   1ሰሎሞን ከኣ ንዂሎም ዓበይቲ እስራኤልን ንዂሎም ሓላቑ ነገዳት፡ ሹማምቲ ማይ ቤት ኣቦታት ደቅሲ እስራኤልን፡ ንታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ካብ ከተማ ዳዊት፡ ማለት ጽዮን፡ ከደይብዎ፡ ናብ ንጉስ ሰሎሞን ናብ የሩሳሌም ኣከቦም። 2ኲሎም ሰብ እስራኤል ድማ በቲ ኣብ ወርሒ ኤታኒም፡ ንሳ ኸኣ ሳብዓይቲ ወርሒ፡ ዝነበረ በዓል ናብ ንጉስ ሰሎሞን ተኣከቡ። 3ኲሎም ዓበይቲ እስራኤል ምስ መጹ ኸኣ፡ እቶምክ ህናት ነቲ ታቦት ኣልዓልዎ። 4ነቲ ታቦት እግዚኣብሄርን ነቲ ድንኳን ምርኻብን ነቲ ኣብ ድንኳን ዝነበረ ዂሉ ንዋየ ቅዱሳትን ድማ ኣደየብዎ፡ ነዚ እቶም ካህናትን ሌዋውያንን ኣደየብዎ። 5ንጉስ ሰሎሞንን ብዘሎ እቲ ናብኡ ተኣኪቡ ዝነበረ ኣኼባ እስራኤልን ምስኡ ኣብ ቅድሚ እቲ ታቦት ኰይኖም፡ ካብ ምብዛሐን እተላዕለ ዘይጽብጸባን ዘይቁጸራን ኣባጊዕን ኣሓን ሰውኡ። 6እቶም ካህናት ድማ ነቲ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ናብቲ ስፍራኡ፡ ናብታ ቤት ራእይ፡ ናብቲ ቅድስተ ቅዱሳን፡ ናብ ትሕቲ ኣኽናፍ ኪሩቤል ኣእተውዎ። 7እቶም ኪሩቤል ኣኽናፎም ኣብ ልዕሊ ሰፈር እቲ ታቦት ዘርጊሖም ነበሩ እሞ፡ ነቲ ታቦትን ነቲ መሰላታቱን እቶም ኪሩቤል ከደንዎ። 8ጫፍ እቲ መሰላትት ከኣ ኣብ ቅድሚ ቤት ራእይ ኣብ መቕደስ ኴንካ ኽሳዕ ዝርአ፡ እቲ መሰላታት ነዋሕቲ ነበረ፡ ብወጻኢ ግና ኣይርአን ነበረ፡ ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ድማ ኣብኡ ኣሎ። 9ኣብቲ ታቦት ብጀካ እተን ሙሴ ኣብ ሆሬብ ናብኡ ዘእተወን ክልተ ጽላት እምኒ ገለ ኻልእ ኣይነበረ፡ እዚ ኸኣ በቲ እግዚኣብሄር ምስ ደቂ እስራኤል፡ ንሳቶም ካብ ምድሪ ግብጽ ምስ ወጹ፡ ኪዳን ዝኣተወሉ ግዜ ዀነ።
   10ኰነ ድማ፡ እቶም ክህናት ካብ መቕደስ ምስ ወጹ፡ ነቲ ቤት እግዚኣብሄር ደበና መልኦ፡ 11ነቲ ቤት እግዚኣብሄር ክብሪ እግዚኣብሄር መሊእዎ ነበረ እሞ፡ እቶም ካህናት ብምኽንያት እቲ ደበና ደው ኢሎም ከገልግሉ ኣይከኣሉን።
   12ሽዑ ሰሎሞን፡ እግዚኣብሄር ኣብ ጣቓ ኸም ዝነብር፡ ኢሉ ኣሎ። 13ንስኻ እተቐመጦ ቤት፡ ንዘለኣለም እትነብረሉ ስፍራ ብርግጽ ሰሪሐልካ ኣሎኹ፡ በለ። 14እቲ ንጉስ ድማ ገጹ መሊሱ ንብዘሎ ማሕበር እስራኤል መረቖ፡ እቲ ማሕበር እስራኤል ከኣ ብዘሎ ደው ኢሉ ነበረ። 15-16በለ ድማ፡ ካብታ ንህዝበይ እስራኤል ካብ ግብጺ ዘውጻእኩላ መዓልቲ ጀሚረ ኻብ ኲሎም ነገዳት እስራኤል ስመይ ዝነብረሉ ቤት እትስርሓላ ኸተማ ኣይሓሬኹን። ግናኸ ንዳዊት ደኣ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤል ክኸውን ሓሬኽዎ፡ ኢሉ ብኣፉ ነቦይ ዳዊት እተዛረቦ ብኢዱ ኸኣ ዝፈጸሞ እግዚብሄር ኣምላኽ እስራኤል ይባረኽ። 17ኣቦይ ዳዊት ድማ ንስም እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ቤት ክሰርሓሉ ብልቡ ሓሲቡ ነበረ። 18እግዚኣብሄር ግና ነቦይ ዳዊት በሎ፡ ንስመይ ቤት ክትሰርሕ ኣብ ልብኻ ነበረ እሞ፡ እዚ ብልብኻ ስለ ዝሓሰብካዮ፡ ጽቡቕ ጌርካ። 19ግናኸ እቲ ኻብ ሕቜኻ ዝወጽእ ወድኻ ደኣ፡ ንሱ ንስመይ ቤት ይሰርሕ እምበር፡ ንስኻስ ነቲ ቤት ኣይትሰርሖን ኢኻ። 20እግዚኣብሄር ከኣ ነቲ እተዛረቦ ዘረባኡ ኣቘሞ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር እተዛረቦ ድማ፡ ኣብ ክንዲ ኣቦይ ዳዊት ተንሲአ፡ ኣብ ዝፋን እስራኤል ተቐመጥኩ፡ ንስም እግዚኣብሄር ኣማልኽ እስራኤል ከኣ ቤት ሰሪሐ ኣሎኹ። 21ኣብኡ ድማ እቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ ምስ ኣውጽኦም፡ ምስ ኣቦታትና ዝኣተዎ ኪዳን እግዚኣብሄር ንዘለዎ ታቦት ስፍራ ኣዳሎኹ።
   22ሰሎሞን ከኣ ኣብ ቅድሚ መሰውኢ እግዚኣብሄር ቈይሙ፡ ኣብ ቅድሚ ዂሉ ማሕበር እስራኤል ኣእዳዉ ናብ ሰማይ ዘርግሐ። 23በለ ድማ፡ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፡ ነቶም ኣብ ቅድሜኻ ብምሉእ ልቦም እተመላለሱ ባሮትካ ኪዳንን ምሕረትን እትሕሉ፡ ኣብ ሰማይ ኣብ ላዕሊ፡ ኣብ ምድሪውን ኣብ ታሕቲ ኸማኻ ዝበለ ኣምላኽ የልቦን። 24እቲ ንባርያኻ፡ ነቦይ ዳዊት፡ እተዛረብካዮ ዝሓሎኻ፡ እወ፡ ብኣፍካ ተዛረብካ፡ ከምዚ ሎሚ መዓልቲ ዀይንዎ ዘሎ ኸኣ፡ ብኢድካ ፈጸምካዮ። 25ሕጂ ድማ፡ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፡ ንባርያኻ፡ ነቦይ ዳዊት፡ ከምቲ ንስኻ ኣብ ቅድመይ እተመላለስካ፡ ደቅኻ ኸኣ ኣብ ቅድመይ ንምኻድ መገዶም ጥራይ እንተ ደኣሓልዮምሲ፡ ኣብ ቅድመይ ኣብ ዝፋን እስራኤል ዝቕመጥ ሰብ ኣየቛርጸልካን እዩ፡ ኢልካ እተዛረብካዮ ሓሉ። 26ሕጂ ድማ፡ ዎ ኣምላኽ እስራኤል፡ በጃኻ፡ እቲ ንባርያኻ፡ ነቦይ ዳዊት፡ እተዛረብካዮ ዘረባኻ እሙን ይኹን።
   27ግናኸ፡ ብሓቂዶ ኣምላኽሲ ኣብ ምድሪ ይነብር እዩ፡ እንሆ፡ ሰማያትን ሰማየ ሰማያትን ክሕዙኻ ኣይክእሉን፡ እዛ ኣነ ዝሰራሕክዋ ቤት ደኣ ግዳ ኽንደይ ዘይትንስእ፡ 28ግናኸ፡ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፡ ነዚ ጽውዓን ነዚ ባርያኻ ሎሚ ኣብ ቅድሜኻ ዝጽልዮ ዘሎ ጸሎትን ንምስማዕ ገጽካ ናብ ጸሎት ባርያኻን ናብ ምህልላኡን ምለስ። 29ናብዛ ቤት እዚኣ፡ ናብዛ፡ ስመይ ኣብኣ ክኸውን እዩ፡ ዝበልካያ ቦታ ኣዒንትኻ ለይትን መዓልትን ይከፈታ። ነቲ ባርያኻ ኣብዛ ቦታ እዚኣ ዝጽልዮ ጸሎትውን ስማዕ። 30ነቲ ባርያኻን ህዝብኻ እስራኤልን ኣብዛ ቦታ እዚኣ ዝምህለልዎ ጸሎት ከኣ ስምዓዮ፡ እወ፡ ንስኻ ኣብታ እትነብረላ ዘሎኻ ቦታ፡ ኣብ ሰማይ ስምዓዮ፡ ሰሚዕካውን ይቕረ በል።
   31ሰብ ንብጻዩ እንተ በደሎ፡ ማሕላ ምሓል ድማ እንተ በልዎ፡ ንሱ ኸኣ ናብ ቅድሚ መሰውኢኻ ኣብዛ ቤት እዚኣ ኽምሕል እንተ መጸ፡ 32ሽዑ ንስኻ ኣብ ሰማይ ኴንካ ስማዕ፡ ግበር ከኣ፡ ነቲ በዳሊ፡ መገዱ ናብ ርእሱ ኽትመልሶ፡ ኰንኖ፡ ነቲ ጻድቕ ከኣ ጽድቁ ኣጽዲቕካ ንባሮትካ ፍረደሎም።
   33ህዝብኻ እስራኤል ስለ ዝበደሉኻ ኣብ ቅድሚ ጸላኢ ምስ ተሳዕሩ ድማ፡ ናባኻ ተመሊሶም ኣብዛ ቤት እዚኣ ንስምካ እንተ ኣኽበሩን እንተ ጸለዩን እንተ ተማህለሉን፡ 34ሽዑ ንስኻ ኣብ ሰማይ ኴንካ ስማዕ፡ ሓጢኣት ህዝብኻ እስራኤል ከኣ ይቕረ በል፡ ናብታ ነቦታቶም ዝሃብካዮም ምድሪ ድማ ምለሶም።
   35ንኣኻ ስለ ዝበደሉ ሰማይ ምስ ተዓጽወ፡ ዝናም ከኣ እንተ ዘይዘነመ፡ ኣብዛ ቦታ እዚኣ ድማ እንተ ጸለዩ፡ ንስምካውን እንተ ኣኽበሩ፡ ስለ ዘዋረድካዮም፡ ካብ ሓጢኣቶም እንተ ተመልሱ፡ 36ሽዑ ንስኻ ኣብ ሰማይ ኴንካ ስማዕ እታ ዝኸድዋ ጽብቕቲ መገዲ ምስ እትርእዮም ከኣ፡ ሓጢኣት ባርያኻን ህዝብኻ እስራኤልን ይቕረ በል፡ ነታ ንህዝብኻ ንርስቲ ዝሃብካዮም ምድርኻ ድማ ዝናም ሃባ።
   37ኣብ ሃገር ጥሜት እንተ ዀነ፡ ፌራ እተ ዀነ፡ ጸላኢኦም ኣብ ሃገሮም ኣብ ከታማታቶም እንተ ኸበቦም፡ ወይ ዝዀነ መዓት ወይ ዝዀነ ሕማም እንተ መጸ፡ 38ዝዀነ ሰብ ወይ ኲሉ ህዝብኻ እስራኤልን ፍሲ ወከፍ ቁስሊ ልቢ እተፈለጦ፡ ዝጽልዮ ዂሉ ጸሎትን ኲሉ ምህልላን ኣእዳዉ ድማ ናብዛ ቤት እዚኣ ኣቢሉ ምስ ዝዝርግሕ፡ 39-40ሽዑ ንስኻ ኣብ ሰማይ፡ ኣብታ እትነብረላ ስፍራ ዄንካ ስማዕ ይቕረ ኸኣ በል ግበር ድማ፡ ንልቢ ዂሎም ደቂ ሰብ እትፈልጦ ንስኻ በይንኻ ኢኻ እሞ፡ ኣብታ ነቦታትና ዝሃብካዮም ምድሪ ዝነብረለን ኲለን መዓልትታት ምእንቲ ኽፈርሁኻስ፡ ንነፍሲ ወከፍ ልቡ እትፈልጥ፡ ከከም መገዱ ሃቦ።
   41ካብ ህዝብኻ እስራኤል ዘይኰነ ጓና ድማ፡ ንሱ ምእንቲ ስምካ ኢሉ ኻብ ርሑቕ ሃገር እንተ መጸ፡ 42ብዛዕባ እዚ ዓብዪ ስምካን ብዛዕባ እዛ ጽንዕቲ ኢድካን ዝርግሕቲ ቕልጽምካን ክሰምዑ እዮም እሞ፡ መጺኡ ኣብዛ ቤት እዚኣ እንተ ጸለየ፡ 43ብዘለዉ ህዝብታት ምድሪ ንስምካ ምእንቲ ኽፈልጡ እሞ ከም ህዝብኻ እስራኤል ገይሮም ክፈርሁኻ፡ እዛ ዝሰራሕክዋ ቤት ከኣ ብስምካ ኸም እተሰምየት ክፈልጡስ፡ ንስኻ ኣብ ሰማይ፡ ኣብታ እትነብረላ ስፍራ ዄንካ ስምዓዮ፡ ነቲ ጓና ኸኣ ከምቲ ዂሉ ዝጽውዓካ ግበረሉ።
   44ህዝብኻ በታ ዝለኣኽካዮም መገዲ ንጸላእቶም ክዋግኡ ምስ ዝወጹ፡ ናብዛ ዝሓሬኻያ ኸተማን፡ ናብዛ ንስምካ ዝሰራሕክዋ ቤትን ኣቢሎም ናብ እግዚኣብሄር እንተ ጸለዩ፡ 45ሽዑ ንስኻ ኣብ ሰማይ ኴንካ ጸሎቶምን ምህልላኦምን ሰሚዕካ ፍርዲ ኣውጽኣሎም።
   46እንተ በደሉኻ፡ ሰብሲ ዘይብድል የልቦን፡ ኰሪኻ ድማ ንጸላኢ ኣሕሊፍካ እንተ ሃብካዮም እዩ፡ ናብ ርሑቕ ኰነ ወይ ናብ ቅሩብ ናብ ሃገር ጸላኢ ምርኮ እንተ ማረኽዎም፡ 47ኣብታ ተማሪኾምላ ዘለዉ ሃገር ኰይኖም ናብ ልቦም እንተ ተመልሱ፡ ኣብታ ምድሪ ምርኮኦም ኰይኖም ከኣ መሊሶም፡ ሓጢኣት ገበርናን በደልናን ክፉእ ገበርናን፡ ኢሎም ናባኻ እንተ ተማሕለሉ፡ 48ኣብ ሃገር እቶም ዝማረኽዎም ጸላእቶም ከለዉ ብዂሉ ልቦምን ብዂሉ ነፍሶምን ናባኻ እንተ ተመልሱ፡ ገጾም ከኣ ናብዛ ነቦታቶም ዝሃብካዮም ምድሮም፡ ናብዛ ዝሓሬኻያ ኸተማን ናብዛ ንስምካ ዝሰራሕክዋ ቤትን ኣቢሎም እንተ ጸለዩ፡ 49ሽዑ ኣብ ሰማይ፡ ኣብታ እትነብራ ቦታ ዄንካ ጸሎቶምን ምህልላኦምን ሰሚዕካ ፍርዲ ኣውጽኣሎም። 50ነቶም ዝበደሉኻ ህዝብኻ ዝኣበሱኻ ዂሉ ኣበሳኦም ይቕረ በለሎም፡ ምእንቲ ንሳቶም ምሕረት ክገብሩሎም ድማ፡ ኣብ ቅድሚ እቶም ዝማረኽዎም ምሕረት ሃቦም። 51ንሳቶምሲ ኻብ ግብጺ፡ ካብቲ እቶም ሓጺን ዘውጻእካዮም ህዝብኻን ርስትኻን እዮም እሞ፡ 52-53ዎ እግዚኣብሄር ጐይታይ፡ ከምቲ ነቦታትና ኻብ ግብጺ ኸተውጽኦም ከሎኻ ብባርያኻ ሙሴ እተዛረብካዮ፡ ካብ ኲሎም ህዝብታት ምድሪ ርስትኻ ክዀኑ፡ ንስኻ ፈሊኻዮም ኢኻ እሞ፡ ናባኻ ብዝጽውዕዎ ዘበለ ኽትሰምዖም፡ ኣዒንትኻ ናብ ምህልላ ባርያኻን ናብ ምህልላ ህዝብኻ እስራኤልን ይከፈታ።
   54ኰነ ኸኣ፡ ሰሎሞን ነዚ ናብ እግዚኣብሄር ዝጽልዮ ዂሉ ጸሎትን ምህልላን እዚ ምስ ወድአ፡ ካብ ቅድሚ እቲ ብብርኩ ተንበርኪኹ ኣእዳዉ ንሰማይ ዘርጊሑሉ ዝነበረ መሰውኢ እግዚኣብሄር ተንስአ። 55ደው ኢሉ ኸኣ ንብዘሎ ማሕበር እስራኤል ዓው ኢሉ ኸምዚ ኢሉ መረቖ፡ 56እቲ ንህዝቡ እስራኤል ከምቲ እተዛረቦ ዂሉ ገይሩ ዕረፍቲ ዝሃቦም እግዚኣብሄር ይባረኽ፡ ካብቲ ብሙሴ ባርያኡ እተዛረቦ ጽቡቕ ነገር ኲሉ ሓደ ቓል እኳ ኣይወደቐን። 57እግዚኣብሄር ኣምላኽና፡ ከምቲ ምስ ኣቦታትና ዝነበሮ፡ ምሳና ይኹን፡ ኣይሓደገናን ኣይገደፈናን። 58እቲ ነቦታትና ዝኣዘዞም ትእዛዛቱን ሕጋጋቱን ፍርድታቱን ድማ ክንሕሉ፡ ብዂሉ መገድታቱ ኽንከይድ፡ ንልብና ናብኡ የብሎ። 59-60እቲ ፍርዲ ንባርያኡን እቲ ንህዝቡ እስራኤል ነንዕለቱ ዘድሊ ፍርድን ምእንቲ ኸውጽእ፡ ኲሎም ህዝብታት ምድርስ እግዚኣብሄር ንሱ ኣምላኽ ከም ዝዀነ፡ ካልእ ከም ዘየልቦ ኸኣ ምእንቲ ኽፈልጡ፡ እዚ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እተማህለልክዎ ቓላተይን ለይትን መዓልትን ኣብ ጥቓ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ይኹን። 61ከምዚ ናይ ሎሚ ብሕጋጋቱ ኽትከዱ፡ ትእዛዛቱ ድማ ክትሕልዉ፡ ልብኹም ፈጺሙ ምስ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ይኹን።
   62እቲ ንጉስ፡ ብዘሎ እስራኤል ድማ ምስኡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር መስዋእቲ ሕሩድ ይስውኡ ነበሩ። 63እቲ ሰሎሞን ንእግዚኣብሄር ዝሰውኦ መስዋእቲ ምስጋና ኸኣ ዕስራን ክልተን ሽሕ ብዕራይ፡ ሚእትን ዕስራን ሽሕ ከኣ በጊዕ ሰውአ። ነታ ቤት እግዚኣብሄር ንጉስን ኲሎም እስራኤልን ኰይኖም ከምዚ ገይሮም ቀደስዋ፡ 64እቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዝነበረ መሰውኢ ኣስራዚ ንዝሓርር መስዋእትን መስዋእቲ ብልዕን ስብሕታት መስዋእቲ ምስጋናን ምእካል ስለ ዝሰኣኖ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ እቲ ንጉስ ነቲ ኣብ ቅድሚ ቤት እግዚኣብሄር ዘሎ ማእከላይ ኣጸድ ቀደሶ እሞ፡ ነቲ ዝሓርር መስዋእትን ንመስዋእቲ ብልዕን ንስብሕታት መስዋእቲ ምስጋናን ኣብኡ ይስውኦ ነበረ።
   65በታ ግዜ እቲኣ ሰሎሞን፡ ምስኡ ኸኣ ብዘሎ እስራኤል፡ ካብታ ንሓማት እትኣቱ ኽሳዕ ርባ ግብጺ ዓብዪ ማሕበር ኰይኖም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ሾብዓተ መዓልትን ሾብዓተ መዓልትን፡ ማለት ዓሰርተው ኣርባዕተ መዓልቲ፡ በዓል ኣብዓሉ። 66በታ ሳምነይቲ መዓልቲ ነቶም ህዝቢ ኣሰናበቶም፡ ንሳቶም ከኣ ንንጉስ መረቕዎ፡ በቲ እግዚኣብሄር ንባርያኡ ዳዊትን ንህዝቡ እስራኤልን ዝገበረሎም ኲሉ ጽቡቕ ነገር ባህ ኢልዎም፡ ብሕጉስ ልቢ ነናብ ድንኳኖም ከዱ።

        1ይ ነገስት  ምዕራፍ 9            

   1ኰነ ኸኣ፡ ሰሎሞን ቤት እግዚኣብሄርን ቤት ንጉስን እቲ ሰሎሞን ክሰርሖ ብሂጉ እተመነዮን ኲሉ ምስ ፈጸሞ፡ 2እግዚኣብሄር ንሰሎሞን፡ ከምቲ ኣብ ጊብዖን እተገልጸሉ፡ ካልኣይ ግዜ ተገልጸሉ። ካልኣይ ግዜ ተገልጸሉ። 3እግዚኣብሄር ድማ በሎ፡ እቲ ኣብ ቅድመይ እተማህለልካዮ ጸሎትካን ምህልላኻን ሰሚዐዮ ኣሎኹ፡ ነዛ ዝሰራሕካያ ቤት፡ ስመይ ክሳዕ ዘለኣለም ኣብኣ ኸንብር ቀዲሰያ ኣሎኹ። ዓይነይን ልበይን ከኣ ንሓዋሩ ኣብኣ ኽነብራ እየን። 4ንስኻ ድማ፡ ነቲ ዝኣዘዝኩኻ ዂሉ ኽትገብር፡ ሕጋጋተይን ፍርድታተይን ከኣ ክትሕሉ፡ ከምቲ ኣቦኻ ዳዊት ብንጽህና ልብን ብቕንዕናን እተመላለሰ፡ ኣብ ቅድመይ እንተ ተመላለስካ፡ 5ሽዑ ኸምቲ ነቦኻ ዳዊት፡ ኣብ ዝፋን እስራኤል ዝቕመጥ ሰብ ኣየቛርጸልካን እየ፡ ዝበልክዎ፡ ንዝፋን መንግስትኻ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንዘለኣለም ከጽንዖ እየ። 6ንስኻትኩምን ደቅኹምን ካብ ምስዓበይ ፈጺምኩም እንተ ተመለስኩም፡ ነቲ ዝሃብኩኹም ትእዛዛተይን ሕጋጋተይን ከኣ እንተ ዘይሓሎኹም፡ ከድኩም ንኻልኦት ኣማልኽቲ እንተ ኣገልገልኩምን እንተ ሰገድኩምሎምን ግና፡ 7ሽዑ ኣነ ንእስራኤል ካብዛ ዝሃብክዎም ምድሪ ኸጽንቶም እየ፡ ነዛ ንስመይ ዝቐደስክዋ ቤት ከኣ ካብ ቅድሚ ገጸይ ክድርብያ እየ፡ እስራኤልውን ኣብ ኲሎም ህዝብታት መመሰልን መላገጽን ክኸውን እዩ። 8እዛ ቤት እዚኣ ድማ፡ ኣዝያ እኳ ልዕል እንተ በለት፡ ብእኣ ዝሓልፍ ዘበለ፡ ብእእ ተገሪሙ ይፋጺ፡ ነዛ ሃገር እዚኣን ነዛ ቤት እዚኣንሲ እቲ እግዚኣብሄር ዝገበረን፡ ስለምንታይ ኮን እዩ፡ ድማ ክብሉ እዮም። 9ነቲ ነቦታቶም ካብ ምድሪ ግብጺ ዘውጽኦም እግዚኣብሄር ኣምላኾም ስለ ዝሓደግዎ፡ ካልኦት ኣማልኽቲ ኸኣ ስለ ዝሓዙን ስለ ዝሰገዱሎምን ዘገልገልዎምን፡ ስለዚ እግዚኣብሄር እዚ ዂሉ ኽፉእ ኣምጽኣሎም፡ ኢሎም ድማ ክመልሱ እዮም።
   10ኰነ ኸኣ፡ ኣብ መወዳእታ እተን ሰሎሞን ነተን ክልተ ቤት፡ ቤት እግዚኣብሄር ቤት ንጉስን፡ ዝሰርሓለን ዕስራ ዓመት፡ 11ሒራም ንጉስ ጢሮስ ንሰሎሞን ብኦም ቄድሮስን ብኦም ጽሕድን ብወርቅን ከም ዝደለዮ ዂሉ ምስ ሓገዞ፡ ሽዑ ንጉስ ሰሎሞን ንሒራም ኣብ ገሊላ ዕስራ ኸተማ ሃቦ። 12ሒራም ከኣ ነተን ሰሎሞን ዝሃቦ ኸተማታት ክርእየን፡ ካብ ጢሮስ ወጸ፡ ግናኸ ኣብ ዓይኑ ባህ ኣይበላኦን፡ 13ሓወየ፡ እዘን ዝሃብካንስ እንታይ ከተማአን እየን፡ ድማ በለ። ከምቲ ኽሳዕ ሎሚ ዝስመያኦ ዘለዋ ኸኣ፡ ምድሪ ካቡል ኢሉ ሰመየን። 14ሒራም ድማ ንንጉስ ሚእትን ዕስስራን ታለንት ወርቂ ሰደደሉ።
   15ብዛዕባ እቶም ንጉስ ሰሎሞን ቤት እግዚኣብሄርን ቤቱን ሚሎን መካበብያ የሩሳሌምን ሓጾርን ሜጊዶን ጌዘርን ክሰርሑ ዘውጽኦም ኣብቲ ተግባሩ ዝግብሩ ኸምዚ እዩ። 16ፈርኦን ንጉስ ግብጺ ደዪቡ ንጌዘር ሓዛ፡ ብሓዊ ተኲሱ፡ ነቶም ኣብታ ኸተማ ዝነበሩ ከነኣናውያን ከኣ ቀቲሉ፡ ንጓሉ ንሰበይቲ ሰሎሞን፡ ገዝማ ሃባ። 17ሰሎሞን ከኣ ንጌዘርን ንታሕታይ ቤትሖሮንን ሰርሐን። 18ድማ ንባዓላትን ነታ ኣብ በረኻ እታ ሃገር ዘላ ታማርውን፡ 19ንዂለን ናይ ሰሎሞን ዝነበራ ኸተማታት ፈረሰኛታትን ነቲ ሰሎሞን ከም ባህጉ ገይሩ ኣብ የሩሳሌምን ኣብ ሊባኖስን ኣብ ኲሉ ሃገር ግዝኣቱን ክሰርሖ ዝደለየ ሰርሐ። 20ነቶም ካብ ኣሞራውያንን ሔታውያንን ፈሬዛውያንን ሃዋውያንን ይቡሳውያንን ዝተረፉ፡ ካብ ደቂ እስራኤል ዘይኰኑ ዂሎም ህዝቢ፡ 21ነቶም ብድሕሪኦም ኣብታ ሃገር ተሪፎም ዝነበሩ ደቆም፡ ደቂ እስራኤል ከጽንትዎም ዘይከኣሉ፡ ንኣታቶም ሰሎሞን ክሳዕ ሎሚ ዝግበሩ ባሮት ገበሮም። 22ካብ ደቂ እስራኤል ግና ሰሎሞን፡ ተዋጋእትን ገላዉኡን ሹማምቱን ሓላቑኡን ዋናታት ሰረገላታቱን ፈረሰኛታቱን ክዀኑ እምበር፡ ባሮት ኣይገበረን። 23እዚኣቶም ኣብ ልዕሊ ዕዮ ሰሎሞን ዝነበሩ ሓላቑ ዋናታት ነቶም ኣብ ዕዮ ዝዓዩ ህዝቢ ዝእዝዙ ሓሙሽተ ሚእትን ሓምሳን እዮም። 24ጓል ፈርኦን ግና ካብ ከተማ ዳዊት ናብታ ሰሎሞን ዝሰርሓላ ቤታ ደየበት፡ ሽዑ ንሚሎ ሰርሓ።
   25ሰሎሞን ድማ ኣብቲ ንእግዚኣብሄር ዝሰርሓሉ መሰውኢ ዝሓርር መስዋእትን መስዋእቲ ምስጋናን ኣብ ዓመት ሰለስተ ሳዕ የዕርግ ነበረ፡ ምስኡ ኸኣ ዕጣን ኣብቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዘሎ መሰውኢ ዓጠነ። ነታ ቤት ድማ ፈጸማ።
   26ንጉስ ሰሎሞን ከኣ ኣብታ ኣብ ምድሪ ኤዶም ኣብ ገምገም ባሕሪ ኤርትራ፡ ኣብ ጥቓ ኤሎት ዘላ ዔጽዮንጋበር መራኽብ ሰርሐ። 27ሒራም ድማ በተን መራኽብ ምስ ገላዉ ሰሎሞን ባሕሪ ዝፈልጡ ባሕረኛታት ገላዉኡ ሰደደ። 28ናብ ኦፊር መጺኦም ከኣ ካብኣ ኣርባዕተ ሚእትን ዕስራን ታለንት ወርቂ ወሰዱ፡ ናብ ንጉስ ሰሎሞን ድማ ኣምጽእዎ።

        1ይ ነገስት  ምዕራፍ 10            

   1ንግስቲ ሳባ ድማ ወረ ሰሎሞን ብዛዕባ ስም እግዚኣብሄር ምስ ሰምዐት፡ ብሕንቅሕንቅሊቶይ ክትፍትኖ መጸት። 2ምስ ኣዝዩ ብዙሕ ጒዕዞ፡ ምስ ቀመማትን ኣዝዩ ብዙሕ ወርቅን ክቡራት ኣእማንን እተጻዕና ኣግማል ኰይና ናብ የሩሳሌም መጸት፡ ናብ ሰሎሞን ምስ ኣተወት ድማ፡ ኣብ ልባ ዝነበረ ዂሉ ኣዛረበቶ። 3ሰሎሞን ከኣ ኲሉ ዘረባኣ ገለጸላ፡ ዘይገለጸላ ኻብ ንጉስ እተሰወረ ነገር ኣይነበረን። 4ንግስቲ ሳባ ጥበብ ሰሎሞንን እታ ዝሰርሓ ቤትን ምስ ረኣየት፡ 5መብልዕ መኣዱን ኣቓማምጣ ገላውኡን ኣቃውማ ኣገልገልቱን ኣከዳድናኦምን ኣሰለፍቱን ነቲ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ዝድይበሉ መሳልልን ምስ ረእየት፡ ውኖኣ ተመስጠ። 6ንንጉስ ከኣ በለቶ፡ እቲ ኣብ ሃገረይ ከሎኹ ብዛዕባ ግብርካን ብዛዕባ ጥበብካን ዝሰማዕክዎ ነገር ሓቂ እዩ። 7መጺኣ ብዓይነይ ክሳዕ ዝርኢ ድማ፡ ነቲ ዘረባ ኣይኣመንክዎን፡ እንሆ ኸኣ፡ ፈረቓ እኳ ኣይነገሩንን። ካብቲ ዝሰማዕክዎ ወረ ዝበዝሕ ጥበብን ጽቡቕ ነገርን ኣሎካ፡ 8እቶም ሰብካ ብጹኣን እዮም እዞም ወርትግ ኣብ ቅድሜኻ ደው ኢሎም ጥበብካ ዝሰምዑ ገላውኻ ብጹኣን እዮም። 9እቲ ኣብ ዝፋን እስራኤል ከቐምጠካ ዝፈተወካ እግዚኣብሄር ኣምላክካ ብሩኽ ይኹን። እግዚኣብሄር ንእስራኤል ንሓዋሩ ስለ ዝፈተዎ፡ ፍርድን ጸድቅን ምእንቲ ኸተውጽእ፡ ንጉስ ክትከውን ሸመካ።
   10ንሳ ድማ ንንጉስ ሚእትን ዕስራን ታለንት ወርቅን ኣዝዩ ብዙሕ ቀመማትን ክቡራት ኣእማንን ሃበቶ፡ ድሕርቲ ኸምቲ ንግስቲ ሳባ ንንጉስ ሰሎሞን ዝሃበቶ ዝምብዛሑ ቐመማት ከቶ ኣይመጸን።
   11እተን ካብ ኦፊር ወርቂ ዘምጽኣ መራኽብ ሒራም ከኣ ኣዝዩ ብዙሕ ዕጨይቲ ሰንደልን ክቡራት ኣእማንን የምጽኣ ነበራ፡ 12ንጉስ ድማ ካብቲ ዕጨይቲ ሰንደል ንቤት እግዚኣብሄርን ንቤት ንጉስን ዝኸውን መጋረዲታት፡ ንመዘምራን ዝኸውን መሰንቆታትን በገናታትን ገበረ። ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ኸምኡ ዝበለ ዕጨይቲ ሰንደል ኣይመጸን፡ ኣይተራእየን ድማ። 13ብጀካ እቲ ሰሎሞን ከም ናይ ንጉስ ልግስነቱ ዝሃባ ኸኣ፡ ንጉስ ሰሎሞን ንንግስቲ ሳባ ዝለመነቶ ዘበለ ዂሉ ድላያ ሃባ። ንሳ ድማ ተመሊሳ ምስ ገላውኣ ናብ ሃገራ ኸደት፡
   14-15ብዘይ እቲ ብሰብ ሸቐጥን ብንግድ ቃፍላይን ካብ ኲሎም ነገስታት ዓረብን ካብ ራእስታት ሃገርን ዝመጸ፡ ሚዛን እቲ ንሰሎሞን ብሓንቲ ዓመት ዝኣትዎ ዝነበረ ወርቂ ሹድሽተ ሚእትን ስሳን ሹድሽተን ታለንት ወርቂ ነበረ።
   16ንጉስ ሰሎሞን ድማ ክልተ ሚእቲ ዓበይቲ ዋልታ ቕትቁጥ ወርቂ ሰርሐ፡ ነንሓደ ዋልታ ሹድሽተ ሚእቲ ሲቃል ወርቂ ወድኣ። 17ሰለስተ ሚእቲ ሲቃል ቀርቂ ወድኣ። ሰለስተ ሚእቲ ናእሽቱ ዋልታ ቕትቁጥ ወርቂ ኸኣ ሰርሐ፡ ነንሓደ ዋልታ ሰለስተ ምና ወርቂ ወድኣ። እቲ ንጉስ ድማ ኣብታ ቤት ዱር ሊባኖስ ኣንበሮ። 18ንጉስ ድማ ብስኒ ሓርማዝ ዓብዪ ዝፋን ሰርሐ፡ ብጽሩይ ወርቂውን ለበጦ። 19እቲ ዝፋን ሹድሽተ መደያይቦ ነበሮ፡ ርእሲ እቲ ዝፋን ከኣ ብሸነኽ ድሕሪት ከቢብ ነበረ። እቲ ኾፍ መበሊ ድማ በዝን በትን መደገፍ ኣእዳው ነበሮ፡ ኣብ ጎቦ እቲ መደገፍ ኣእዳው ከኣ ክልተ ኣንበሳ ደው ኢሎም ነበሩ። 20ኣብቲ ሹድሽተ መደያይቦ ድማ፡ ኣብኡ በዝን በትን ዓሰርተው ክልተ ኣንበሳ ደው ኢሎም ነበሩ። ከምዚ ዝበለ ኣብ ኲለን መንግስትታት ኣይተገብረን። 21ናይ ንጉስ ሰሎሞን ኣቓሑ መሳተያ ዘበለ ድማ ወርቂ ነበረ፡ ናይ ቤት ዱር ሊባኖስ ኲሉ ኣቓሑ ከኣ ጽሩይ ወርቂ ነበረ፡ ናይ ብሩር ኣይነበረን፡ ንሱስ ብዘመን ሰሎሞን ገለ እኳ ኣይቑጸርን ነበረ። 22ንጉስ ምስ መራኽብ ሒራም ኣብ ባሕሪ መራኽብ ተርሲስ ነበራኦ እሞ፡ እተን መራኽብ ተርሲስ ወርቅን ብሩርን ስኒ ሓርማዝን ህበይን ኣዕዋፍን ተጻዒነን ኣብ ሰለስተ ዓመትሲ ሓንሳእ ይመጻ ነበራ።
   23በዚ ኸምዚ ንጉስ ሰሎሞን ብሃብትን ብጥበብን ካብ ኲሎም ነገስታት ምድሪ ዓበየ፡ 24ብዓለሙ ነቲ ኣምላኽ ኣብ ልቡ ዝሃቦ ጥበቡ ኽሰምዕስ፡ ገጽ ሰሎሞን ክርኢ ይደሊ ነበረ። 25ንሳቶም ድማ ነፍሲ ወከፎም ገገጽ በረኸቶም፡ ኣቓሑ ብሩርን ወርቅን ክዳውንትን ኣጽዋርን ቀመማትን ኣፍራስን ኣባቕልን ዓመት ንዓመት የምጽኡ ነበሩ።
   26ሰሎሞን ከኣ ሰረገላታትን ፈረሰኛታትን ኣከበ እሞ፡ ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ሰረገላን ዓሰርተው ክልተ ሽሕ ፈረሰኛታትን ነበርዎ፡ ኣብ ከተማታት ሰረገላን ኣብ የሩሳሌም ምስ ንጉስን ድማ ኣቐመጦም። 27እቲ ንጉስ ከኣ ንብሩር ኣብ የሩሳሌም ክም እምኒ ገበሮ፡ ንቄድሮስውን ኣብ ቈላ ኸም ዘሎ ሳግላ ዝምብዛሑ ገበሮ። 28እቶም ኣፍራስ ሰሎሞን ድማ ካብ ግብጺ እዮም ዝወጹ ዝነበሩ፡ እቶም ናይ ንጉስ ነጋዶ ቓፍላይ ከኣ ነንመጓሴ ብቑሩጽ ዋጋ ይወስዱ ነበሩ። 29ካብ ግብጺ ዝወጽእ ሰረገላ ድማ ነንሓደ ሹድሽተ ሚእቲ ሲቃል ብሩር ይወጽእ ነበረ። ሓደ ፈረስ ከኣ ብሚእትን ሓምሳን። ንዂሎም ነገስታት ሔታውያንን ንነገስታት ሶርያን ድማ ከምኡ እናገበሩ በእዳዎም የውጽኡሎም ነበሩ።

        1ይ ነገስት  ምዕራፍ 11  

   1ንጉስ ሰሎሞን ብዘይ ጓል ፈርኦን ድማ ብዙሓት ጓኖት ኣንስቲ፡ ሞኣባውያን፡ ዓሞናውያን፡ ኤዶማውያን፡ ሲዶናውያን፡ ሔታውያን ፈተወ፡ 2ካብቶም እግዚኣብሄር ንደቂ እስራኤል ብዛዕባኦም፡ ንሳቶም ንልብኹም ብርግጽ ናብ ኣማልኽቶም ከዘንብልዎ እዮም እሞ፡ ናባታቶም ኣይትኺዱ፡ ንሳቶም ከኣ ናባኻትኩም ኣይምጽኡ፡ ዝበሎም ህዝብታት፡ ሰሎሞን ብፍቕሪ ምሳታተን ጠበቐ። 3ሾብዓተ ሚእቲ ንግስታት ኣንስትን ሰለስተ ሚእቲ ኣንስቲ ወሰንን ነበራኦ። እተን ኣንስቱ ኸኣ ልቡ ኣዘንበላኦ። 4ኰነ ድማ፡ ብግዜ እርግና ሰሎሞን እተን ኣንስቱ ንልቡ ደድሕሪ ኻልኦት ኣማልኽቲ ኣዘንበላኦ። ስለዚ ልቡ፡ ከም ልቢ ኣቦኡ ዳዊት፡ ፍጹም ምስ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ኣይኰነን። 5ሰሎሞን ከኣ ደድሕሪ ኣስታርተ፡ እታ ኣምላኽ ሲዶናውያንን ደድሕሪ ሚልኮም፡ ጽያፍ ዓሞናውያንን ከደ። 6ሰሎሞን ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ፡ ከም ኣቦኡ ዳዊት ገይሩ ፈጺሙ ንእግዚኣብሄር ኣይሰዓቦን። 7ሽዑ ሰሎሞን ንከምሽ ጽያፍ ሞኣብን፡ ንሞሌኽ ጽያፍ ደቂ ዓሞንን፡ ኣብቲ ኣብ መንጽር የሩሳሌም ዘሎ ኸረን በረኽቲ ሰርሐ። 8ንዂላተን እተን ጓኖት ኣንስቱ፡ ንኣማልኽተን ዝዓጥናን ዝስውኣን ከኣ፡ ከምኡ ሰርሓለን።
9እግዚኣብሄር ድማ ንሰሎሞን፡ ልቡ ኻብቲ ኽልተ ሳዕ እተራእዮ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ስለ ዝዘንበለ፡ ተቘጥዖ። 10ብዛዕባ እዚ ነገር እዚ ድማ ደድሕሪ ኻልኦት ኣማልኽቲ ኽይከይድ ኣዚዝዎ ነበረ፡ ነቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ግና ኣይሓለዎን። 11ስለዚ ኸኣ እግዚኣብሄር ንሰሎሞን በሎ፡ እዚ ኣባኻ ስለ እተገብረ፡ ነቲ ዝኣዘዝኩኻ ኪዳነይን ሓጋጋትን ድማ ስለ ዘይሓሎካዮ፡ ነዛ መንግስቲ ብርግጽ ካባኻ ቐዲደ ንጊልያኻ ኽህቦ እየ። 12እዚ ግና ምእንቲ ኣቦኻ ዳዊት ብዘመንካ ኣይገብሮን፡ ካብ ኢድ ወድኻ እየ ዝቐዳ። 13ግናኸ ነታ መንግስቲ ብዘላስ ኣይቀዳን እየ፡ ምእንቲ ባርያይ ዳዊትን ምእንቲ እታ ዝሓሬኽዋ የሩሳሌምን ኢለ ንወድኻ ሓደ ነገድ ክህቦ እየ።
   14እግዚኣብሄር ድማ ንሰሎሞን ተጻራሪ ሃዳድ ኤዶማዊ ኣተንስኣሉ፡ ንሱ ኻብ ዘርኢ ነገስታት ኤዶም ነበረ። 15ኰነ ድማ፡ ዳዊት ኣብ ኤዶም ከሎ፡ ዮኣብ እቲ ሓለቓ ሰራዊት ድማ ነቶም ቅቱላት ክቐርብ ምስ ደየበ፡ ኣብ ኤዶም ንዝነበረ ዅሉ ተባዕታይ ክቐትል ከሎ፡ 16ዮኣብን ብዘሎ እስራኤልን ኣብ ኤዶም ንዝነበረ ዂሉ ተባዕታይ ክሳዕ ዘጽንቱስ፡ ኣብኡ ሹድሽተ ወርሒ ተቐመጡ። 17ሃዳድ ከኣ፡ ንሱን ገለ ኤዶማውያንን ካብ ገላዉ ኣቦኡ ድማ ምስኡ ዀይኖም ናብ ግብጺ ክኸዱ ሃደሙ፡ ሃዳድ ሽዑ ንእሽቶ ቘልዓ ነበረ። 18ካብ ሚድያን ተላዒሎም ከኣ ናብ ጳራን መጹ፡ ካብ ጳራን ሰባት ወሲዶም ድማ ናብ ግብጺ ናብ ፈርኦን ንጉስ ግብጺ መጹ። ንሱ ኸኣ ቤት ሃቦ፡ ቀለብውን ኣዘዘሉ፡ ምድሪ ድማ ሃቦ። 19ሃዳድ ከኣ ኣብ ቅድሚ ፈርኦን ብዙሕ ሞገስ ረኸበ፡ ንሱ ድማ ሓብቲ ሰበይቱ፡ ሓብቲ ንግስቲ ታሕጵኔስ ሰበይቲ ኽትኰኖ ሃቦ። 20እዛ ሓብት ታሕጵኔስ ከኣ ጌኑባት ዝብሃል ወዲ ወለደትሉ። ታሕጵኔስ ድማ ኣብ ቤት ፈርኦን ጡብ ኣሕደገቶ፡ ጌኑባት ከኣ ኣብ ቤት ፈርኦን ኣብ ማእከል ደቂ ፈርኦን ነበረ። 21ሃዳድ ድማ ኣብ ግብጺ ኸሎ ዳዊት ምስ ኣቦታቱ ኸም ዝደቀሰ፡ ዮኣብ ሓላቓ ሰራዊትውን ከም ዝሞተ፡ ምስ ሰምዐ፡ ሃዳድ ንፈርኦን፡ ናብ ሃገረይ ክኸይድሲ ኣሰናብተኒ፡ በሎ። 22ፈርኦን ግና፡ እንሆ፡ ናብ ሃገርካ ኽትከይድ እትደልስ፡ ምሳይ ከሎኻ እንታይ ጐዲሉካ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ገለ እኳ፡ ግናኸ ኣሰናብተኒ ደኣ፡ በሎ።
   23ኣምላኽ ድማ ካልእ ተጻራሪ፡ እቲ ኻብ ጐይትኡ ኻብ ሃዳድዔዘር ንጉስ ጾባ ዝሃደመ ሬዞን ወዲ ኤልያዳዕ ኣተንስኣሉ፡ 24ንሱ፡ በታ ዳዊት ንሰብ ጾባ ዝቐተለላ ግዜ፡ ሰባት ኣኪቡ ሓለቓ ጭፍራ ዀነ። ናብ ደማስቆ ኸይዶም ኣብኡ ተቐመጡ። ኣብ ደማስቆውን ነገሱ። 25ንሱ ድማ ምስቲ ሃዳድ ዝገበሮ ኽፉእ ብዂሉ ዘመን ሰሎሞን ጸረ እስራኤል ኰይኑ ነበረ እሞ፡ ንእስራኤል ጸየፎ፡ ኣብ ልዕሊ ሶርያ ኸኣ ነገሰ።
   26የሮብዓም ጊልያ ሰሎሞን፡ ወዲ ናባጥ ኤፍራታዊ፡ ካብ ጸሬዳ፡ ስም ኣዲኡ ጽሩዓ፡ ንሳ ከኣ መበለት ነበረት፡ ንሱ ድማ ኢዱ ኣብ ንጉስ ኣልዓለ። 27እቲ ኢዱ ኣብ ንጉስ ዘልዓሎ ምኽንያት ከኣ እዚ እዩ፡ ሰሎሞን ንሚሎ ሰርሓ፡ ነቲ ፍራስ ከተማ ኣቦኡ ዳዊትውን ጸገኖ። 28የሮብዓም ድማ ሓያል ጅግና ሰብኣይ ነበረ። ሰሎሞን ከኣ እቲ ጐበዝ፡ ንሱ ትጉህ ዓያዪ ኸም ዝዀነ ርእዩ፡ ኣብ ልዕሊ ዂሉ ዕዮ ቤት ዮሴፍ ኣመዘዞ። 29ኰነ ድማ፡ በቲ ዘመን እቲ የሮብዓም ካብ የሩሳሌም ወጸ፡ ነብዪ ኣሒያ እቲ ሺሎናዊ ኸኣ ኣብ መገዲ ረኸቦ። ንሱ ድማ ሓድሽ ክዳን ተኸዲኑ ነበረ። ክልቲኦም ከኣ በይኖም ኣብ መሮር ነበሩ። 30ኣሒያ ድማ ነቲ ተኸዲንዎ ዝነበረ ሓድሽ ክዳን ሒዙ ኣብ ዓሰርተው ክልተ ቑራጽ ቈራረጾ። 31ንየሮብዓም ከኣ በሎ፡ ዓሰርተ ቒራጽ ንኣኻ ውሰድ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል ኣሎ እሞ፡ እንሆ፡ ነታ መንግስቲ ኻብ ኢድ ሰሎሞን ክቐዳ እየ፡ ዓሰርተ ነገድ ድማ ንኣኻ ኽህበካ እየ። 32ምእንቲ ባርያይ ዳዊትን ምእንቲ እታ ኻብ ኲሎም ነገዳት እስራኤል ዝሓሬኽዋ ኸተማ የሩሳሌምን ግና እቲ ሓደ ነገድ ንእኡ ይኹን። 33ንኣይ ሓዲጎም ንኣስታርተ፡ ነታ ኣምላኽ ሲዶናውያን፡ ንኸምጽ ኣምላኽ ሞኣብ፡ ንሚልኮም ኣምላኽ ደቂ ዓሞን ስለ ዝሰገዱ፡ ከም ኣቦኡ ዳዊት ገይሮም እቲ ኣብ ቅድመይ ቅኑዕ ዝዀነን እቲ ሕጋጋተይን ፍርድታተይን ክገብሩ ድማ ብመገደይ ኣይከዱን። 34ግናኸ ምእንቲ እቲ ዝሓሬኽዎ ባርያይ ዳዊት ኢለ፡ ብዂሉ ዘመን ህይወቱ መስፍን እገብሮ እምበር፡ ነታ መንግስቲ ብዘላስ ካብ ኢዱ ኣይወስዳን እየ። 35ግናኸ ካብ ኢድ ወዱ ነታ መንግስቲ ኽወስዳ እየ፡ ንኣኻ ድማ እቶም ዓሰርተ ነገድ ክህበካ እየ። 36ኣብ ቅድመይ ኣብታ ስመይ ኣብኣ ኸንብር ዝሓሬኽዋ ኸተማ የሩሳሌም፡ ንባርያይ ዳዊት ኲሉ ዘመን መብራህቲ ምእንቲ ኽህልዎስ፡ ንወዱ ሓደ ነገድ ክህቦ እየ። 37ንኣኻ ወሲደ ድማ ኣብቲ ነፍስኻ ዝፈተወቶ ዘበለ ኽትገዝእ፡ ኣብ ልዕሊ እስራኤልውን ክትነግስ ኢኻ። 38ክኸውን ድማ እዩ፡ ዝኣዘዝኩኻ ዘበለ እንተ ሰማዕካ ብመገደይ ከኣ እንተ ተመላለስካ፡ ኣብ ቅድመይውን ቅኑዕ ዝዀነ እንተ ገበርካ፡ ከምቲ ባርያይ ዳዊት ዝገበሮ ኸኣ ትእዛዛተይን ሕጋጋተይን እንተ ሓሎኻ፡ ምሳኻ ክኸውን እየ፡ ከምቲ ንባርያይ ዳዊት ዝሰራሕኩሉ፡ ንኣኻ ኸኣ ጽንዕቲ ቤት ክሰርሓልካ እየ፡ እስራኤልውን ንኣኻ ኽህበካ እየ። 39ምእንቲ እዚ ንዘርኢ ዳዊት ከዋርዶ እየ፡ ግናኸ ንዂሉ ዘመን ኣይኰነን።
   40ስለዚ ሰሎሞን ንየሮብዓም ክቐትሎ ደለየ፡ የሮብዓም ግና ተንሲኡ ናብ ሺሻቅ ንጉስ ግብጺ፡ ናብ ግብጺ ሃደመ። ክሳዕ ሞት ሰሎሞን ከኣ ኣብ ግብጺ ነበረ።
   41እቲ ዝተረፈ ናይ ሰሎሞን ነገር፡ እቲ ዝገበሮ ዂሉን ጥበቡን፡ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ሰሎሞንዶ ተጽሒፉ ኣይኰነን፧ 42እቲ ሰሎሞን ኣብ ልዕሊ ዂሉ እስራኤል ኣብ የሩሳሌም ዝነገሰሉ ዘመን ኣርብዓ ዓመት ነበረ። 43ሰሎሞን ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፡ ኣብ ከተማ ኣቦኡ ዳዊትውን ተቐብረ። ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ሮብዓም ነገሰ።

        1ይ ነገስት  ምዕራፍ 12            

   1ብዘሎ እስራኤል ንሮብዓም ከንግሶ ናብ ሴኬም መጺኡ ነበረ እሞ፡ ንሱ ድማ ናብ ሴኬም ከደ። 2ኰነ ኸኣ፡ የሮብዓም ወዲ ናባጥ እዚ ምስ ሰምዐ፡ ንሱ ገና ኣብ ግብጺ፡ ኣብቲ ኻብ ቅድሚ ንጉስ ሰሎሞን ዝሃደሞ ነበረ እሞ፡ የሮብዓም ኣብ ግብጺ ይቕመጥ ነበረ። 3ልኢኾም ድማ ጸውዕዎ። ሽዑ የሮብዓምን ብዘሎ ማሕበር እስራኤልን መጺኦም ንሮብዓም፡ 4ኣቦኻ ኣርዑትና ኣበርትዓልና፡ ሕጂ ድማ ንስኻ ነቲ ብርቱዕ ኣገዛዝኣ ኣቦኻን ነቲ ዝሰቐለልና ኸቢድ ኣርዑቱን ኣቕልለልና፡ ንሕናውን ክንግዝኣካ ኢና፡ ኢሎም ተዛረብዎ። 5ንሱ ድማ፡ ንሰለስተ መዓልቲ ኺዱ እሞ ናባይ ተመለሱ፡ በሎም። እቶም ህዝቢ ኸኣ ከዱ።
   6ንጉስ ሮብዓም ድማ ምስቶም ኣቦኡ ሰሎሞን ብህይወቱ ኸሎ ኣብ ቅድሚኡ ደው ዝብሉ ዝነበሩ ዓበይቲ፡ ነዚ ህዝቢ እዚ ዝመልሶ ነገር እንታይ ትመኽሩኒ፡ ኢሉ ተማኸረ። 7ንሳቶም ከኣ፡ ነዚ ህዝቢ እዚ ሎሚ ጊልያ እንተ ዀንካዮ፡ እንተ ኣገልገልካዮም፡ ምላሽ ድማ እንተ ሃብካዮም፡ ጽቡቕ ቃልውን እንተ ተዛረብካዮም፡ ሽዑ ንሳቶም ንሓዋሩ ገላዉ ክዀኑኻ እዮም፡ ኢሎም ተዛረብዎ። 8ንሱ ግና ነቲ እቶም ዓበይቲ ዘማኸርዎ ምኽሪ ሓዲጉስ፡ ምስቶም ምስኡ ዝዓበዩ ኣብ ቅድሚኡ ደው ዝብሉ መንእሰይ ተማኸረ 9እሞ፡ ነዞም፡ እቲ ኣቦካ ዝሰቐለልና ኣርዑት ኣቕልለልና፡ ዝብሉኒ ህዝቢ እዚኦም እንመልሰሎም ነገር እንታይ ተማኽሩኒ፡ በሎም። 10እቶም ምስኡ ዝዓበዩ መንእሰይ ከኣ ነዞም ኣቦኻ ኣርዑትና ኣኽቢዱልና እዩ እሞ፡ ንስኻ ኻብ ልዕሌና ኣቕልለልና፡ ኢሎም እተዛረቡኻ ህዝቢ እዚኦም፡ እዛ ንእሽቶ ኣጻብዐይ ካብ ሕቘ ኣቦይ ትረጒድ። 11ሕጂ ድማ ኣቦይ ከቢድ ኣርዑት ጸዓነኩም፡ ኣነ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ኣርዑትኩም ክውስኸልኩም እየ። ኣቦይ ብሓለንጊ ገረፈኩም፡ ኣነ ግና ብጭጒራፍ ክገርፈኩም እየ፡ በሎም፡ ኢሎም መለሱሉ። 12ከምቲ እቲ ንጉስ፡ በታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ተመለሱኒ፡ ኢሉ እተዛረቦም ድማ፡ የሮብዓም ኲሉ እቲ ህዝብን ኰይኖም በታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ናብ ሮቦኣም መጹ። 13ሽዑ እቲ ንጉስ ነቲ እቶም ዓበይቲ ዝመኸርዎ ምኽሪ ሓዲጉ ነቶም ህዝቢ ኣበርቲዑ መለሰሎም፡ 14ኣቦይ ኣርዑትኩም ኣኽበደልኩም፡ ኣነ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ኣርዑትኩም ክውስኸልኩም እየ። ኣቦይ ብሓለንጊ ገረፈኩም፡ ኣነ ግና ብጭጒራፍ ክገርፈኩም እየ፡ ኢሉ ኸምቲ ምኽሪ እቶም መንእሰይ ገይሩ ተዛረቦም። 15ነቲ እግዚኣብሄር ንየሮብዓም ወዲ ናባጥ ብአሒያ ሺሎናዊ ተዛሪብዎ ዝነበረ ቓሉ ምእንቲ ከቝሞ፡ እዚ ኻብ እግዚኣብሄር ተመዲቡ ነበረ እሞ፡ እቲ ንጉስ ነቲ ህዝቢ ኣይሰምዖን። 16ሽዑ ብዘለዉ እስራኤል ንጉስ ከም ዘይሰምዖም ምስ ረኣዩ፡ እቶም ህዝቢ ንንጉስ፡ ኣብ ዳዊት እንታይ ክፍሊ ኣሎና፡ ኣብ ወዲ እሴይ ርስቲ የብልናን። ዎ እስራኤል፡ ነናብ ድንኳንካ ተመለስ። ኣታ ዳዊት፡ ሕጂስ ቤትካ ሓሉ፡ ዝብል ዘረባ መለሱሉ። ሽዑ እስራኤል፡ ነናብ ድንኳኑ ኸደ። 17የሮብዓም ግና ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ከተማታት ይሁዳ ዝቕመጡ ዝነበሩ ደቅሲ እስራኤል ነገሰ። 18ንጉስ ሮብዓም ድማ ነቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ገባር ተሸይሙ ዝነበረ ኣዶራም ሰደዶ፡ ብዘለዉ እስራኤል ብዳርባ እምኒ ቐተልዎ፡ ሞተ ኸኣ። ንጉስ ሮብዓም ድማ ናብ የሩሳሌም ክሃድም ተቐላጢፉ ናብ ሰረገላ ደየበ። 19በዚ ኸምዚ እስራኤል ካብ ቤት ዳዊት ክሳዕ ሎሚ ዓልዮም ኣለዉ። 20ኰነ ድማ፡ ብዘለዉ እስራኤል የሮብዓም ከም እተመልሰ ምስ ሰምዑ፡ ልኢኾም ናብቲ ኣኼባ ጸውዕዎ እሞ ኣብ ልዕሊ ብዘሎ እስራኤል ኣንገስዎ። ብጀካ ነገድ ይሁዳ ጥራይ ንቤት ዳዊት ዝሰዓባ ኣይነበረን።
   21ሮብዓም ናብ የሩሳሌም ምስ መጸ ድማ፡ ምስ ቤት እስራኤል ተዋጊኦም ነታ መንግስቲ ናብ ሮብዓም ወዲ ሰሎሞን ክመልስዋ፡ ንብዘላ ቤት ይሁዳን ንነገድ ብንያምን ሚእትን ሰማንያን ሽሕ ሕሩያት ተዋጋእቲ ኣኽተተ። 22ግናኸ ናብ ሸማዕያ ናይ ኣምላኽ ሰብ ከምዚ ዝብል ቃል ኣምላኽ መጸ፡ 23የሮብዓም ንጉስ ይሁዳ ወዲ ሰሎሞንን ንብዘላ ቤት ይሁዳን ንብንያምን ነቶም ዝተረፉ ህዝቢውን ከምዚ በሎም፡ 24እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እዚ ነገር እዚ ኻባይ እዩ እሞ፡ ምስ ኣሕዋትኩም ደቂ እስራኤል ክትዋግኡ ኣይትደይኑ፡ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ቤቱ ይመለስ። ንሳቶም ከኣ ቃል እግዚኣብሄር ሰሚዖም፡ ከምቲ ዘረባ እግዚኣብሄር ተመሊሶም ከዱ።
   25የሮብዓም ድማ ንሴኬም ኣብ ከረን ኤፍሬም ሰርሓ፡ ኣብኣውን ተቐመጠ። ካብኣ ወጺኡ ኸኣ ንጰኑኤል ሰርሓ። 26የሮብዓም ድማ ብልቡ፡ ሕጂ እዛ መንግስቲ ናብ ቤት ዳዊት ክትምለስ እያ። 27እዚ ህዝቢ እዚ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር መስዋእቲ ሕሩድ ክስውእ ናብ የሩሳሌም እንተ ደየበ፡ ልቢ እዚ ህዝቢ እዚ ናብ ጐይታኦም፡ ናብ የሮብዓም ንጉስ ይሁዳ ኽምለስ እዩ እሞ፡ ቐቲሎምኒ ናብ ሮብዓም ንጉስ ይሁዳ ኽምለሱ እዮም፡ በለ። 28እቲ ንጉስ ድማ መኺሩ ኽልተ ምራኹት ወርቂ ገበረ፡ ዎ እስራኤል፡ ናብ የሩሳሌም ምድያብ ይበዝሓኩም እዩ፡ እቶም ካብ ምድሪ ግብጺ ዘደየቡኻ ኣማልኽትኻ እነዉልካ፡ ድማ በሎም። 29ነቲ ሓደ ኣብ ቤትኤል ኣንበሮ፡ ነቲ ሓደ ኸኣ ኣብ ዳን ገበሮ። 30እቲ ህዝቢ ኣብ ቅድሚ እቲ ሓደ ኽሰግድ ክሳዕ ዳን ይኸይድ ነበረ እሞ፡ እዚ ነገር እዚ ንሓጢኣት ኰነ። 31ኣብ በረኽቲውን ኣባይቲ ሰርሐ፡ ካብ ደቂ ሌዊ ዘይኰኑ ኸኣ፡ ካብቲ ህዝቢ ማንም ካህናት ገበረ። 32የሮብዓም ድማ ኣብ ሳምነይቲ ወርሒ፡ ኣብታ ወርሒ ኸኣ ኣብ መበል ዓሰርተው ሓሙሽተ መዓልቲ ኸምቲ ኣብ ይሁዳ ዝግበር በዓል፡ በዓል ገበረ፡ ናብቲ መሰውኢ ድማ ደየበ። ነቶም ዝገበሮም ምራኹት ክስውኣሎም ኣብ ቤትኤል ከምኡ ገበረ። ናይቲ ዝገበሮ በረኽቲ ኸኣ ካህናት ኣብ ቤትኤል ኣቘመ።
   33ብሳምነይቲ ወርሒ፡ ብመበል ዓሰርተው ሓሙሽተ መዓልቲ፡ በታ ብልቡ ዝመደባ ወርሒ ናብቲ ኣብ ቤትኤል ዝሰርሖ መሰውኢ ደየበ። ንደቂ እስራኤል ከኣ በዓል ገበረሎም፡ ክዓጥን ድማ ናብቲ መሰውኢ ደየበ።

        1ይ ነገስት  ምዕራፍ 13            

   1የሮብዓም ክዓጥን ኣብ መሰውኢ ደው ኢሉ ኸሎ ድማ፡ እንሆ፡ ናይ ኣምላኽ ሰብ ብቓል እግዚኣብሄር ካብ ይሁዳ ናብ ቤትኤል መጸ። 2ብቓል እግዚኣብሄር ከኣ ኣብቲ መሰውኢ ጨደሩ፡ ኣታ መሰውኢ፡ ኣታ መሰውኢ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብለካ ኣሎ፡ ንቤት ዳዊት ዮስያስ ዝስሙ ወዲ ኽውለደላ እዩ። ንሱ ነቶም ኣባኻ ዝዓጥኑ ኻህናት በረኽቲ ኣብ ልዕሌኻ ኽስውኦም እዩ፡ ኣዕጽምቲ ሰብውን ኣባኻ ኸንድዱ እዮም፡ በለ። 3በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ከምዚ ኢሉ ምልክት ሃበ፡ እቲ እግዚኣብሄር እተዛረቦ ምልክት እዚ እዩ፡ እንሆ እቲ መሰውኢ ኽነቅዕ እዩ፡ እቲ ኣብ ልዕሊኡ ዘሎ ሓመዂስቲ ኸኣ ፋሕ ክብል እዩ። 4ኰነ ድማ፡ እቲ ንጉስ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ቤትኤል ዘሎ መሰውኢ ዝጨደሮ ነገር ምስ ሰምዐ፡ የሮብዓም ካብቲ መሰውኢ ኢዱ ዘርጊሑ፡ ሓዝዎ፡ በለ። እታ ዝዘርግሓሉ ኢዱ ግና ነቐጸት እሞ ናብኡ ኽመልሳ ኣይከኣለን። 5ከምቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ብቓል እግዚኣብሄር ዝሃቦ ምልክት ድማ፡ እቲ መሰውኢ ነቕዐ፡ እቲ ሓሙዂስቲውን ፋሕ በለ። 6ሽዑ እቲ ንጉስ ነቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ እዛ ኢደይ ክትምለሰለይሲ፡ በጃኻ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ተማህሊልካ ምእንታይ ለምኖ፡ ኢሉ መለሰሉ። ኣቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ከኣ ከኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ተማህለለ፡ እታ ኢድ ንጉስ ድማ ናብኡ ተመለት፡ ከም ቀደማውን ኰነት። 7እቲ ንጉስ ከኣ ነቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ምሳይ ናብ ቤት እቶ እሞ ብላዕ፡ ህያብውን ክህበካ እየ፡ በሎ። 8-9እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ግና ነቲ ንጉስ፡ እንጌራ ኣይትብላዕ፡ ማይ ድማ ኣይትስተ፡ በታ ዝኼድካያ መገዲውን ኣይትመለስ፡ ብዝብል ቃል እግዚኣብሄር ተኣዚዘ እየ እሞ፡ ፈረቓ ቤትካ እንተ ትህበኒ እኳ፡ ምሳኻስ ኣይኣቱን፡ ኣብዛ ቦታ እዚኣ ኸኣ እንጌራ ኣይበልዕን ማይውን ኣይሰትን፡ በሎ። 10ብኻልእ መገዲ ኸኣ ከደ፡ በታ ናብ ቤትኤል ዝመጸላ መገድስ ኣይተመልሳን።
   11ኣብ ቤትኤል ድማ ሓደ ኣረጊት ነብዪ ነበረ። ሓደ ኻብ ደቁ መጺኡ ኸኣ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ቤትኤል ዝገበሮ ዂሉ ግብሪ፡ እቲ ንንጉስ እተዛረቦ ነገር ኣዘንተወሉ፡ ንሳቶም ከኣ ነቦኦም ኣዘንተዉሉ። 12ኣቦኦም ከኣ፡ በየነይቲ መገዲ ኸይዱ፡ በሎም። እቶም ደቁ ድማ እቲ ኻብ ይሁዳ ዝመጸ ናይ ኣምላኽ ሰብ ዝኸደላ መገዲ ርእዮም ነበሩ። 13ነቶም ደቁ ኸኣ፡ ኣድጊ ጽዓኑለይ፡ በሎም። ኣድጊ ድማ ጸዓኑሉ፡ ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ተወጥሐ። 14ደድሕሪ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ድማ ኸደ፡ ኣብ ትሕቲ ድዋ ተቐሚጡ ኸኣ ረኸቦ፡ እቲ ኻብ ይሁዳ ዝመጸ ናይ ኣምላኽ ሰብ ንስኻ ዲኻ፡ ድማ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ እወ፡ ኣነ እየ፡ በለ። 15ንሱ ድማ፡ ምሳይ ናይ ቤት ንዓ እሞ እንጌራ ብላዕ፡ በሎ። 16-17ንሱ ግና፡ ኣብኣ እንጌራ ኣይትብላዕ፡ ማይ ከኣ ኣይትስተ፡ በታ ናብኣ ዝኼድካላ መገዲውን ኣይትመለስ፡ ኢሉ ብቓል እግዚኣብሄር ተዛሪቡኒ እዩ እሞ፡ ምሳኻ ኽምለስ ምሳኻ ኽኣቱን ኣይክእልን፡ ኣብዛ ቦታ እዚኣውን ምሳኻ እንጌራ ኣይበልዕን ማይ ድማ ኣይሰትን፡ በለ። 18ንሱ ኸኣ፡ ኣነውን ካማኻ ነብዪ እየ፡ መልኣኽ ድማ፡ እንጌራ ኽበልዕን ማይ ከኣ ክሰትን ምሳኻ ናብ ቤትካ ምለሶ፡ ኢሉ ብቓል እግዚኣብሄር ተዛሪቡኒ፡ በሎ። ግናኸ ሓስይዎ እዩ። 19ምስኡ ተመልሰ፡ ኣብ ቤቱ ድማ እንጌራ በልዐ፡ ማይውን ሰተየ። 20ኰነ ኸኣ፡ ንሳቶም ኣብ መኣዲ ኾፍ ኢሎም ከለዉ፡ ነቲ ዝመለሶ ነብዪ ቓል እግዚኣብሄር መጾ። 21ነቲ ኻብ ይሁዳ ዝመጾ ናይ ኣምላኽ ሰብ ድማ ከምዚ ኢሉ ጨደረሉ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ንኣፍ እግዚኣብሄር ስለ ዝዓሎኻዮ፡ ነቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝኣዘዘካ ትእዛዝውን ስለ ዘይሓሎኻዮ፡ 22ኣብታ እንጌራ ኣይትብልዓላ ማይ ከኣ ኣይትስተየላ ዝበለካ ቦታ ተመሊስካ እንጌራ በላዕካ፡ ማይ ድማ ሰቴኻ፡ ስለዚ ሬሳኻ ኣብ መቓብር ኣቦታትካ ኣይኣቱን እዩ።
   23ኰነ ድማ፡ እንጌራ ምስ በልዐን ምስ ሰተየን፡ ነቲ ዝመለሶ ነብዪ ኣድጊ ጸዓነሉ። 24ምስ ከደ ኸኣ፡ ኣብ መገዲ ኣንበሳ ረኸቦ እሞ ቐተሎ። ሬሳኡ ድማ ኣብ መገዲ ተደርብዩ ነበረ፡ እቲ ኣድጊ ኸኣ ኣብ ጥቓኡ ደው በለ፡ እቲ ኣንበሳውን ኣብ ጥቓ እቲ ሬሳ ደው ኢሉ ነበረ። 25እንሆ ኸኣ፡ ዝሓልፉ ሰባት ሬሳኡ ኣብ መገዲ ተደርብዩ፡ እቲ ኣንበሳውን ኣብ ጥቓ እቲ ሬሳ ደው ኢሉ ረኣዩ። ናብታ እቲ ኣረጊት ነብዪ ዘለዋ ኸተማ መጺኦም ድማ እዚ ነገሩ። 26እቲ ኻብ መገዱ ዝመለሶ ነብዪ ኸኣ እዚ ምስ ሰምዐ፡ ንሱ እቲ ንኣፍ እግዚኣብሄር ዝዓለወ ናይ ኣምላኽ ሰብ እዩ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ንእኡ እተዛረቦ ዘረባ ድማ፡ እግዚኣብሄር ንኣንበሳ ኣሕሊፉ ሂብዎ፡ ሰቢሩስ ቀቲልዎ ኸኣ፡ በለ። 27ንደቁ ድማ፡ ኣድጊ ጽዓኑለይ፡ ኢሉ ተዛረቦም፡ ጸዓኑሉ ኸኣ። 28ንሱ ኸደ እሞ ነቲ ሬሳኡ ኣብ መገዲ ተደርብዩ ረኸቦ፡ እቲ ኣድግን እቲ ኣንበሳን ድማ ኣብ ጥቓ እቲ ሬሳ ድው ኢሎም ጸንሑ። እቲ ኣንበሳ ነቲ ሬሳ ኣይበልዖን፡ ነቲ ኣድጊውን ኣይሰበሮን። 29ሽዑ እቲ ነብዪ ሬሳ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ኣልዒሉ ኣብ ኣድጊ ድማ ጽዒኑ መለሶ። ክበኽየሉን ክቐብሮን ከኣ ናብ ከተማ እቲ ኣረጊት ነብዪ መጸ። 30ነቲ ሬሳኡ ድማ ናብ መቓብሩ ኣንበሮ እሞ፡ ዋይዋይ ሓወይ፡ ኢሎም በኸዩሉ። 31-32ኰነ ኸኣ፡ ምስ ቀበሮ ንደቁ፡ እቲ ኣብቲ ኣብ ቤትኤል ዘሎ መሰውእን ኣብ ኲለን ኣብ ከተማታት ሰማርያ ዘለዋ ኣባይቲ በረኽቲ ብቓል እግዚኣብሄር ዝጨደሮ ነገር ብርግጽ ክኸውን እዩ እሞ፡ ምስ ሞትኩ፡ ንኣይ ድማ ኣብዛ ናይ ኣምላኽ ሰብ ተቐቢርዋ ዘሎ መቓብር ቅበሩኒ፡ ኣዕጽምተይ ኣብ ጥቓ ኣዕጽምቱ ኣንብሩ፡ ኢሉ ተዛረቦም።
   33ድሕርዚ ነገርዚ የሮብዓም ካብ ክፉእ መገዱ ኣይተመልሰን፡ መሊሱ ደኣ ኻብቲ ህዝቢ ንበረኽቲ ማንም ካህናት ገበረ። ነቲ በረኽቲ ኻህናት ክዀኑ ንዝደለየ ዘበለ ቀደሶ። 34እዚ ነገር እዚ ንቤት የሮብዓም ንሓጢኣትን ንምጥፋእን ካብ ልዕሊ ምድሪ ንምጽናትን ኰና።

        1ይ ነገስት  ምዕራፍ 14            

   1በቲ ዘመን እቲ ኣቢያ ወዲ የሮብዓም ሓመመ። 2የሮብዓም ድማ ንሰበይቱ፡ በጃኺ፡ ተንስኢ እሞ ሰበይቲ የሮብዓም ምዃንኪ ኸይትፍለጥስ፡ ክዳንኪ ለውጢ፡ ናብ ሺሎ ኸኣ ኪዲ። እንሆ፡ እቲ ብዛዕባይ ኣብ ልዕሊ እዚ ህዝቢ እዚ ኸም ዝነግስ እተዛረበ ነብዪ ኣሒያ ኣብኣ ኣሎ። 3ዓሰርተ እንጌራን ሕምባሻን ንጽባ መዓርን ሒዝኪ ናብኡ ኺዲ። ንሱ ነዚ ቘልዓ ዝኸውን ነገር ክገልጸልኪ እዩ፡ በላ። 4ሰበይቲ የሮብዓም ድማ ከምኡ ገበረት፡ ተንሲኣ ኸኣ ናብ ሺሎ ኸደት፡ ናብ ቤት ኣሒያውን ኣተወት። ኣሒያ ግና ኣዒንቱ ብእግርና ፈዚዘን ነበራ እሞ፡ ክርኢ ኣይከኣለን። 5እግዚኣብሄር ድማ ንኣሒያ፡ እንሃ ሰበይቲ የሮብዓም ብዛዕባ ወዳ፡ ንሱ ሓሚሙ እዩ እሞ፡ ክትጥይቐካ ትመጽእ ኣላ። ክኸውን ድማ እዩ፡ ጋሻ ተመሲላ ኽትኣቱ እያ እሞ፡ ከምዝን ከምዝን ኢልካ ተዛረባ፡ በሎ። 6ኰነ ኸኣ፡ ብደገ ኽትኣቱ ኸላ፡ ኣሒያ ኣእጋራ ድግ ድግ ክብል ምስ ሰምዐ፡ በለ፡ ኣቲ ሰበይቲ የሮብዓም፡ እተዊ። ስለምንታይ ኢኺ ጋሻ እትመስሊ፡ ኣነ ድማ ከቢድ ነገር ክነግረኪ ናባኺ ተላኢኸ ኣሎኹ። 7ኪዲ እሞ ንየሮብዓም በልዮ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ካብ ማእከል ህዝቢ ልዕሊ ኣቢለ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤል መስፍን ገበርኩኻ፡ 8መንግስቲ ድማ ካብ ቤት ዳዊት ቀዲደ ሃብኩኻ። ንስኻ ግና፡ ከምቲ ትእዛዛተይ ዝሓለወ ኣብ ቅድመይ ከኣ ቅኑዕ ዘበለ ጥራይ ክገብር፡ ብምሉእ ልቡ ዝሰዓበኒ፡ ከም ባርያይ ዳዊት ኣይኰንካን። 9ክፉእ ንምግባር ደኣ ኻብቶም ቅድሜኻ ዝነበሩ ዂሎም ገደድካ፡ ከተዀርየኒ ድማ ከድካ ኻልኦት ኣማልኽትን ዝፈሰሰ ምስልታትን ገበርካ፡ ንኣይ ግና ናብ ድሕሪ ዝባንካ ደርቤኻኒ። 10ስለዚ እንሆ፡ ንቤት የሮብዓም ክፉእ ከምጽኣላ እየ፡ ኣብ እስራኤል ዘሎ እሱር ኰነ፡ ፍቱሕ ኰነ ድማ ካብ ቤት የሮብዓም ደው ኢሉ ኣብ መንደቕ ዝሸይን ዘበለ ኸጽንት እየ። ፋንድያ ኸም ዝዂስተር ገይረ ኸኣ ንቤት የሮብዓም፡ ፈጺማ ኽሳዕ እትጠፍእ፡ ክዂስትራ እየ። 11እግዚኣብሄር ተዛሪቡ እዩ እሞ፡ ነቲ ኻብ የሮቦኣም ኣብ ከተማ ዝሞተ፡ ኣኽላባት ክበልዕዎ እዮም፡ ኣብ መሮር ንዝሞተ ኸኣ ኣዕዋፍ ሰማይ ክበልዓኦ እየን። 12ንስኺ ተንሲእኪ ንቤትኪ ኺዲ እሞ፡ እግርኺ ናብ ከተማ ክትኣቱ ኸላ፡ እቲ ቘሎኣ ኽመውት እዩ። 13ኣብ ቤት የሮብዓም ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ጽቡቕ ነገር ኣብኡ ስለ እተረኽበ፡ ካብ የሮብዓም እዚ ጥራይ ኣብ መቓብር ክኣቱ እዩ እሞ፡ ንእኡ ብዘለዉ እስራኤል እናበኸዩ ክቐብርዎ እዮም። 14እግዚኣብሄር ከኣ ኣብ እስራኤል ንጉስ ዝዀኖ ኸተንስእ እዩ፡ ንሱ በታ መዓልቲ እቲኣ ንቤት የሮብዓም ከጽንታ እዩ። ሕጂ እሞ እንታይ ክግበር እዩ፡ 15ሻምብቆ ኣብ ማይ ሰሰው ከም ዝብል፡ ንእስራኤል ድማ እግዚኣብሄር ክወቕዖ እዩ። ንእግዚኣብሄር ከዀርዩስ ኣስታርቴታቶም ስለ ዝገበሩ ኸኣ፡ ንእስራኤል ካብዛ ነቦታቶም ዝሃቦም ጽብቕቲ ምድሪ ኽምንቁሶም፡ ናብ ስግር ርባውን ክዘርዎም እዩ። 16ብሰሪ እቲ የሮብዓም ዝገበሮ ሓጢኣት፡ ንእስራኤል ከኣ ዘሕጥኦም፡ ንእስራኤል ኣሕሊፉ ኽህቦም እዩ። 17ሰበይቲ የሮብዓም ድማ ተንሲኣ ኸደት፡ ናብ ቲርጻውን መጸት፡ ንሳ ኣብ ልዳት ቤታ ምስ በጽሐት፡ እቲ ቘልዓ ሞተ። 18ከምቲ እግዚኣብሄር ብባርያኡ፡ ብነብዪ ኣሒያ፡ እተዛረቦ ቓል ከኣ ብዘለዉ እስራኤል ቀበርዎን በኸዩሉን።
   19እቲ ዝተረፈ ናይ የሮብዓም ነገር ድማ፡ እቲ እተዋግኦን እቲ ዝነገሶን፡ እንሆ፡ ኣብቲ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት እስራኤል ተጽሒፉ ኣሎ። 20እቲ የሮብዓም ዝነገሶ ዘመን ከኣ ዕስራን ክልተን ዓመት እዩ። ምስ ኣቦታቱ ድማ ደቀሰ፡ ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ናብዳ ነገሰ።
   21ሮብዓም ወዲ ሰሎሞን ድማ ኣብ ይሁዳ ነገሰ። ሮብዓም ክነግስ ከሎ ኸኣ፡ ወዲ ኣርብዓን ሓደን ዓመት ነበረ። ኣብታ እግዚኣብሄር ስሙ ኣብኣ ኸንብር ካብ ኲሎም ነገዳት እስራኤል ዝሓረያ ኸተማ የሩሳሌም ዓሰርተው ሾብዓተ ዓመት ነገሰ። ስም ኣዲኡ ኸኣ ናዓማ፡ ንሳ ዓሞናዊት እያ። 22ይሁዳ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ፡ ካብቲ ኣቦታቶም ዝገበርዎ ዝበዝሕ ሓጢኣት ብምግባሮም ከኣ ኣቕንእዎ። 23ንሳቶም ድማ ኣብ ትሕቲ ዂሉ ልምሉም ኦምን በረኽትን ሓወልትታትን ኣስታርቴታትን ሰርሑ። 24ኣብታ ሃገር ድማ ኣብ ተባዕታይ ዝምንዝሩ ነበሩ። ከም ኲሉ ርኽሰት እቶም እግዚኣብሄር ካብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ዘጥፍኦም ኣህዛብ ይገብሩ ነበሩ።
   25ኰነ ድማ፡ ንንጉስ ሮብዓም ኣብ ሓምሰይቲ ዓመቱ ሺሻቅ ንጉስ ግብጺ ንየሩሳሌም ደየባ። 26ንመዛግብቲ ቤት እግዚኣብሄርን ንመዛግብቲ ቤት ንጉስን ከኣ ወሰደ፡ ንዂሉ ወሰዶ። ነቲ ሰሎሞን ዝገበሮ ዂሉ ዋላቱ ወርቂውን ወሰዶ። 27ንጉስ ሮብዓም ድማ ኣብ ክንዳኡ ዋላቱ ኣስራዚ ገበረ፡ ኣብ ኢድ ሓላቑ እቶም ንደገ ቤት ንጉስ ዝሕልዉ ተኸልቲ ኣማዕቈቦም። 28ኰነ ኸኣ፡ እቲ ንጉስ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ምስ ዝኸይድ፡ እቶም ተኸተልቲ የልዕልዎ ነበሩ፡ ናብ ቤት እቶም ተኸተልቲ ድማ ይመልስዎ ነበሩ።
   29እቲ ዝተረፈ ናይ ሮብዓም ነገር ድማ፡ ኲሉ ዝገበሮ ዘበለ፡ ንሱ ኣብቲ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት ይሁዳዶ ተጽሒፉ ኣየሎን፡ 30ኣብ መንጎ ሮብዓምን የሮብዓምን ከኣ ኲሉ ዘመን ውግእ ነበረ፡ 31ሮብዓም ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፡ ምስ ኣቦታቱ ኸኣ ኣብ ከተማ ዳዊት ተቐብረ። ስም ኣዲኡ ድማ ናዓማ እዩ፡ ንሳ ዓሞናዊት እያ። ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ኣቢያም ነገሰ።

        1ይ ነገስት  ምዕራፍ 15            

   1ንንጉስ የሮብዓም ወዲ ናባጥ ኣብ መበል ዓሰርተው ሾሞንተ ዓመቱ ድማ ኣቢያም ኣብ ይሁዳ ነገሰ። 2ሰለስተ ዓመት ኣብ የሩሳሌም ነገሰ። ስም ኣዲኡ ኸኣ ማዓካ፡ ንሳ ጓል ኣቢሻሎም እያ። 3በቲ ቕድሚኡ ኣቦኡ ዝገበሮ ሓጢኣት ከደ፡ ልቡ ድማ ከም ልቢ ኣቦኡ ዳዊት ምስ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ፍጹም ኣይነበረን። 4ምእንቲ ዳዊት ኢሉ ግና፡ ብድሕሪኡ ወዱ ኸተንስእ ንየሩሳሌምውን ከጽንዓ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ኣብ የሩሳሌም መብራህቲ ሃቦ። 5ዳዊት ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ገበረ፡ ብጀካ እቲ ናይ ኡርያ ሔታዊ ነገርሲ፡ ብዂሉ ዘመን ህይወቱ ኻብቲ ዝኣዘዞ ዘበለ ኣየግለሰን። 6ኣብ መንጎ ሮብዓምን የሮብዓምን ድማ ብዂሉ ዘመን ህይወቱ ውግእ ነበረ።
   7እቲ ዝተረፈ ናይ ኣቢያም ነገርን እቲ ዝገበሮ ዂሉን፡ ንሱ ኣብቲ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት ይሁዳዶ ተጽሒፉ ኣየሎን፧ ኣብ መንጎ ኣብያን የሮብዓምን ድማ ውግእ ነበረ። 8ኣቢያም ከኣ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፡ ኣብ ከተማ ዳዊት ድማ ቀበርዎ። ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ኣሳ ነገሰ።
   9ንየሮቦኣም ንጉስ እስራኤል ኣብ መበል ዕስራ ዓመቱ ድማ ኣሳ ኣብ ይሁዳ ነገሰ፡ 10ኣርብዓን ሓደን ዓመት ድማ ኣብ የሩሳሌም ነገሰ። ስም ኣዲኡ ኸኣ ማዓካ፡ ንሳ ጓል ኣቢሻሎም እያ። 11ኣሳ ድማ ከም ኣቦኡ ዳዊት ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ገበረ። 12ነቶም ኣብ ተባዕታይ ዝመንዘሩ ኸኣ ካብታ ሃገር ሰጐጎም። ነቶም ኣቦታቱ ዝገበርዎም ኲሎም ጣኦታት ድማ ኣግለሶም። 13ነዲኡ ማዓካውን፡ ንኣስታርተ ናይ ጽያፍ ምስሊ ስለ ዝገበረት ካብ መንግስታ ሰዓራ፡ ኣሳ ድማ ነቲ ምስላ ቘሪጹ ኣብ ርባ ቄድሮን ኣንደዶ። 14ነቲ በረኽቲ ግና ኣየግለሶን። ኣሳስ ምሉእ ዘመኑ ድኣ ልቡ ምስ እግዚኣብሄር ፍጹም ነበረ። 15ነቲ ኣቦኡ ዝቐደሶን ንሱ ዝቐደሶን ወርቅን ብሩርን ኣቓሑን ድማ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣእተዎ።
   16ኣብ መንጎ ኣሳን ባዕሳ ንጉስ እስራኤልን ድማ ምሉእ ዘመኖም ውግእ ነበረ። 17ባዕሳ ንጉስ እስራኤል ከኣ ንይሁዳ ደየባ። ገለ ወጺኡ ናብ ኣሳ ንጉስ ይሁዳ ይኺድ ከይሓድግ ኢሉ ድማ ንራማ ሰርሓ። 18ሽዑ ኣሳ ኣብ መዛግብቲ ቤት እግዚኣብሄርን ኣብ መዛግብቲ ቤት ንጉስን ተሪፉ ዝነበረ ዂሉ ወርቅን ብሩርን ወሲዱ ኣብ ኢድ ገላዉኡ ሃቦም። ነዚ ድማ ንጉስ ኣሳ ናብቲ ኣብ ደማስቆ ዘሎ ቤንሃዳድ ንጉስ ሶርያ፡ ወዲ ጣብሪሞን ወዲ ኸዝዮን፡ ልኢኹ፡ 19ኣብ መንጎ ኣቦይን ኣቦኻን ከም ዝነበረ፡ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ድማ ኪዳን ይኹን። እንሆ፡ ገጽ በረኸት ብሩርን ወርቅን ሰዲደልካ ኣሎኹ እሞ፡ ካባይ ምእንቲ ክኸይድሲ፡ ነቲ ምስ ባዕሳ ንጉስ እስራኤል ዝኣቶኻዮ ኽዳንካ ኣፍርሶ፡ በሎ። 20ቤንሃዳድ ከኣ ንንጉስ ኣሳ ሰሚዑ ንኸተማታት እስራኤል ክወግእወን ሓላቑ ሰራዊቱ ሰደደ፡ ንዒዮንን ንዳንን ንአቤልቤትማዓካን ንብዘላ ኪነሮትን ምስ ብዘላ ምድሪ ንፍታሌምን ድማ ሰዓረን። 21ኰነ ኸኣ፡ ባዕሳ እዚ ምስ ሰምዐ፡ ንራማ ምስራሕ ሓዲጉ ኣብ ቲርጻ ተቐመጠ። 22ሽዑ ንጉስ ኣሳ ሓደ እኳ ናጻ ኸይሓደገ ንብዘላ ይሁዳ ኣኽተተ። ነቲ ባዕሳ ንራማ ሰሪሑሉ ዝነበረ ኣእማንን ኣዕጻውን ወሰዱ፡ ንጉስ ኣሳ ድማ ብእኡ ገይሩ ንጌባዕ ናይ ብንያምን ንሚጽጳን ሰርሐን።
   23ኲሉ እቲ ዝተረፈ ናይ ኣሳ ነገር ከኣ፡ ኲሉ መንፍዓቱን ኲሉ ዝገበሮን ዝሰርሐን ከተማታትን፡ ንሱ ኣብቲ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት ይሁዳዶ ተጽሒፉ ኣየሎን ብግዜ እርግናኡ ግና ኣእጋሩ ሓመመ። 24ኣሳ ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፡ ምስ ኣቦታቱ ኸኣ ኣብ ከተማ ዳዊት ኣቦኡ ተቐብረ። ኣብ ክንዳኡ ድማ ወዱ ዮሳፋጥ ነገሰ።
   25ናዳብ ወዲ የሮብዓም ከኣ ንኣሳ ንጉስ ይሁዳ ኣብ ካልኣይ ዓመቱ ኣብ እስራኤል ነገሰ። ክልተ ዓመትውን ኣብ እስራኤል ነገሰ። 26ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ድማ ክፉእ ገበረ፡ ብመገዲ ኣቦኡን በቲ ንእስራኤል ዘስሓተሉ ሓጢኣቱን ከኣ ከደ። 27ባዕሳ ወዲ ኣሒያ ኻብ ቤት ይሳኮር ድማ ተማሓሓለሉ። ናዳብን ብዘሎ እስራኤልን ንጊብቶን ከቢቦምዋ ኸለዉ ኸኣ፡ ባዕሳ ኣብ ጊብቶን ናይ ፍልስጥኤማውያን ቀተሎ። 28ባዕሳ ኣብ ሳልሰይቲ ዓመቱ ንኣሳ ንጉስ ይሁዳ እዩ ዝቐተሎ፡ ኣብ ክንዳኡ ድማ ነገሰ፡ 29-30ኰነ ኸኣ፡ ምስ ነገሰ፡ ብሰቲ እቲ የሮቦኣም ዝገበሮ ሓጢኣት፡ ብእኡ ኸኣ ንእስራኤል ስለ ዘስሓቶ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤልውን ስለ ዘዀረዮ፡ ከምቲ ቓል እግዚኣብሄር ብባርያኡ ብኣሒያ ሺሎናዊ እተዛረቦ ንቤት የሮብዓም ኣጥፍኣ፡ ክሳዕ ዘጽንቶ ንየሮብዓም ሓደ እኳ ትንፋስ ዘለዎ ኣይሓደገሉን።
   31ኲሉ እቲ ዝተረፈ ናይ ናዳብ ነገርን እቲ ዝገበሮ ዂሉን ንሱ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት እስራኤልዶ ተጽሒፉ ኣየሎን፧ 32ኣብ መንጎ ኣሳን ባዕሳ ንጉስ እስራኤልን ምሉእ ዘመኖም ውግእ ነበረ፡
   33ንኣሳ ንጉስ ይሁዳ ኣብ ሳልሰይቲ ዓመቱ ባዕሳ ወዲ ኣሒያ ኣብ ልዕሊ ዂሉ እስራኤል ኣብ ቲርጻ ነገሰ፡ ዕስራን ኣርባዕተን ዓመት ገዝኣ። 34ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ድማ ክፉእ ገበረ፡ ብመገዲ የሮብዓምን በቲ ንእስራኤል ዘስሓተሉ ሓጢኣቱን ከኣ ኸደ።

        1ይ ነገስት  ምዕራፍ 16            

   1ንየሁ ወዲ ሓናኒ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ባዕሳ ኸምዚ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር መጾ፡ 2ኣነ ኻብ ሓመድ ኣልዒለስ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤል መስፍን ገይረካ ኽነሰይ፡ ንስኻ ግና ብመገዲ የሮብዓም ብምኻድካ፡ ንህዝበይ እስራኤል ብሓጢኣቶም ከዀርዩኒ ስለ ዘስሓትካዮም፡ 3እንሆ፡ ንባዕሳን ንቤቱን ንንየው ክጸርጎም እየ፡ ንቤትካ ድማ ከም ቤት የሮብዓም ወዲ ናባጥ ክገብራ እየ። 4ካብ ባዕሳ ነቲ ኣብ ከተማ ዝሞተ ኣኽላባት ክበልዕዎ እዮም፡ ነቲ ኣብ መሮር ዝሞተ ኸኣ ኣዕዋፍ ሰማይ ክበልዓኦ እየን።
   5እቲ ዝተረፈ ናይ ባዕሳ ነገርን እቲ ዝገበሮን እቲ መንፍዓቱን፡ ንሱ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት እስራኤልዶ ተጽሒፉ ኣየሎን፡ 6ባዕሳ ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፡ ኣብ ቲርጻውን ተቐብረ፡ ኣብ ክንዳኡ ከኣ ወዱ ኤላ ነገሰ። 7ከም ቤት የሮብዓም ክኸውን ኢሉ፡ ብግብሪ ኢዱ ከዀርዮስ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዝገበሮ ዂሉ ኽፉእ ዘበለ ስለ ዝገበረን ንየሮብዓም ድማ ስለ ዝቐተሎን፡ እቲ ብነብዪ የሁ ወዲ ሓናኒ እተነግረ ቓል እግዚኣብሄር ኣብ ባዕሳን ኣብ ቤቱን ተፈጸመ።
   8ንኣሳ ንጉስ ይሁዳ ኣብ መበል ዕስራን ሹድሽተን ዓመቱ ኸኣ ኤላ ወዲ ባዕሳ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኣብ ቲርጻ ነገሰ፡ ክልተ ዓመት ገዝኣ። 9ግናኸ ጊልያኡ ዚምሪ፡ እቲ ኣብ ፈረቓ ሰረገላታቱ ሓለቓ ዝነበረ፡ ተማሓሓለሉ። ኣብ ቲርጻ፡ ኣብ ቤት እቲ ኣብታ ኣብ ቲርጻ ዘላ ቤት ኣዛዚ ዝነበረ ቅርጻ፡ ሰትዩ ሰኺሩ ኸሎ፡ 10ዚምሪ ኣትዩ ወቒዑ ቐተሎ፡ ንኣሳ ንጉስ ይሁዳ ኣብ መበል ዕስራን ሾብዓተን ዓመቱ ቐተሎ። ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ነገሰ። 11ኰነ ድማ፡ ነጊሱ ኣብ ዝፋኑ ምስ ተቐመጠ፡ ብኡብኡ ንብዘሎ ቤት ባዕሳ ቐተለ፡ ካብ ዘመዱ ዀነ፡ ካብ ፈተውቱ ዀነ፡ ደው ኢሉ ኣብ መንደቕ ካብ ዝሸይን ሓደ እኳ ኣየትረፈሉን። 12-13ብሰሪ ዂሉ እቲ ዝገበርዎ ሓጢኣት ባዕሳን ሓጢኣት ወዱ ኤላን፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ብኸንቱነቶም ከዀርይዎስ፡ ንእስራኤል ከኣ ስለ ዝስሓቱ፡ ከምቲ ብነብዪ የሁ ኣብ ልዕሊ ባዕሳ እተዛረቦ ቓል እግዚኣብሄር፡ ዚምሪ ንብዘላ ቤት ባዕሳ ኣጽነታ።
   14እቲ ዝተረፈ ናይ ኤላ ነገርን እቲ ዝገበሮ ዂሉን ንሱ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት እስራኤልዶ ተጽሒፉ ኣየሎን፡
   15ንኣሳ ንጉስ ይሁዳ ኣብ መበል ዕስራን ሾብዓተን ዓመቱ ኸኣ ዚምሪ ኣብ ቲርጻ ሾብዓተ መዓልቲ ነገሰ። እቶም ህዝቢ ድማ ንጊብቶን ናይ ፍልስጥኤማውያን ከቢቦምዋ ነበሩ። 16እቶም ከቢቦም ዝነበሩ ህዝቢ፡ ዚምሪ ተማሓሒሉ ንንጉስ ድማ ቀቲልዎ፡ ክብሉ ሰምዑ። ሽዑ ብዘለዉ እስራኤል ንዖምሪ ሓለቓ ሰራዊት በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብቲ ሰፈር ኣብ እስራኤል ኣንገስዎ። 17ዖምሪን ብዘለዉ እስራኤል ከኣ ምስኡን ካብ ጊብቶን ደዪቦም ንቲርጻ ኸበብዋ። 18-19ኰነ ድማ፡ ዚምሪ እቲ ብመገዲ የሮቦኣም እናኸደ፡ እቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ዘበለ ብምግባሩ ዝገበሮ ሓጢኣቱን በቲ ንእስራኤል ዘስሓተሉ ሓጢኣቱን፡ ናብታ ኣደራሽ ቤት ንጉስ ኣትዩ፡ ነታ ቤት ንጉስ ኣብ ልዕሊኡ ብሓዊ ኣንደዳ፡ ሞተ ኸኣ።
   20እቲ ዝተረፈ ናይ ዚምሪ ነገርን እቲ ዝተማሓሓሎ ምምሕሓልን፡ ንሱ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት እስራኤልዶ ተጽሒፉ ኣየሎን፡
   21ሽዑ እቲ ህዝቢ እስራኤል ኣብ ክልተ ኽፍሊ ተመቕለ። ፍርቂ እቲ ህዝቢ ንቲብኒ ወዲ ጊናት ከንግሶ ሰዓቦ። እቲ ፍርቂ ኸኣ ንዖምሪ ሰዓቦ፡ 22እቲ ንዖምሪ ዝሰዓበ ህዝቢ ድማ ነቲ ንቲብኒ ወዲ ጊናት ዝሰዓበ ህዝቢ ሓየሎ። ቲብኒ ኸኣ ሞተ፡ ዖምሪውን ነገሰ፡
   23ንኣሳ ንጉስ ይሁዳ ኣብ መበል ሰላሳን ሓደን ዓመቱ ዖምሪ ኣብ እስራኤል ነገሰ፡ ዓሰርተው ክልተ ዓመት ከኣ ገዝአ። እተን ሹድሽተ ዓመት ኣብ ቲርጻ ነገሰ። 24ንኸረን ሰማይራ ድማ ካብ ሸመር ብኽልተ ታለንት ብሩር ዓደጋ፡ ኣብቲ ኸረን ከኣ ሰርሐ፡ ስም እታ ዝሰርሓ ኸተማ ድማ ብስም ሸመር ጐይታ እቲ ኸረን፡ ሰማርያ ኢሉ ሰመያ። 25ዖምሪ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ፡ ካብቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ዂሎም ዝኸፍእ ገበረ። 26ብዂሉ መገዲ የሮብዓም ወዲ ናባጥን በቲ ንሱ ንእስራኤል፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ብኸንቱነቶም ምእንቲ ከዀርይዎ ብዘስሓተሉ ሓጢኣቱን ከደ።
   27እቲ ዝተረፈ ዖምሪ ዝገበሮ ነገርን እቲ ዝገበሮ መንፍዓቱን ንሱ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት እስራኤልዶ ተጽሒፉ ኣየሎን፡ 28ዖምሪ ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፡ ኣብ ሰማርያውን ተቐብረ። ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ኣከኣብ ነገሰ፡
   29ንኣሳ ንጉስ ይሁዳ ኣብ መበል ሰላሳን ሾሞንተን ዓመቱ ድማ ኣከኣብ ወዲ ዖምሪ ኣብ እስራኤል ነገሰ። ኣከኣብ ወዲ ዖምሪ ኸኣ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዕስራን ክልተን ዓመት ኣብ ሰማርያ ገዝአ። 30ኣከኣብ ወዲ ዖምሪ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ካብቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ዂሎም ዝኸፍእ ገበረ። 31ኰነ ኸኣ፡ እቲ ብሓጢኣት የሮብዓም ወዲ ናባጥ ምኻዱ ቐሊልዎስ፡ ንኢዛቤል፡ ጓል ኤትባዓል ንጉስ ሲዶን፡ ሰበይቱ ኽትከውን ወሰዳ። ከይዱ ድማ ንበዓል ኣገልገሎ፡ ሰገደሉውን። 32ኣብታ ኣብ ሰማርያ ዝሰርሓ ቤት በዓል ድማ ንበዓል መሰውኢ ኣቘመሉ። 33ኣከኣብ ከኣ ኣስታርተ ገበረ። ኣከኣብ ድማ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ዘዀሪ ብምግባሩ፡ ካብቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ዂሎም ነገስታት እስራኤል ገደደ።
   34ብዘመኑ ኸኣ ሒኤል ቤትኤላዊ ንያሪኮ ሰርሓ። ከምቲ ቓል እግዚኣብሄር ብእያሱ ወዲ ነዌ እተዛረቦ ድማ ብኣቢራም፡ በቲ በዂሩ ሰረታ፡ ደጌታታ ኸኣ ብሴጉብ፡ በቲ ንእሽቶ ወዱ ኣቘመ።

        1ይ ነገስት  ምዕራፍ 17            

   1ሓደ ኻብቶም ኣብ ጊልዓድ ዝነበሩ ድማ ኤልያስ ቲስቢታዊ ንኣከኣብ፡ በዘን ዓመታት እዚኣተን፡ ኣነ ኸይተዛረብኩ፡ ኣውሊ ዀነ ወይ ዝናም ከይኸውን፡ እቲ ኣነ ኣብ ቅድሚኡ ደው ኢለ ዘሎኹ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል እዩ፡ በሎ።
   2-3ቃል እግዚኣብሄር ድማ፡ ካብዚ ናብ ምብራቕ ኣቢልካ ኺድ እሞ ኣብቲ ኣብ መንጽር ዮርዳኖስ ዘሎ ርባ ከሪት ተሓባእ። 4ክኸውን ከኣ እዩ፡ ካብቲ ርባ ኽትሰቲ ኢኻ፡ ኣብኡ ኽምግቡኻ ድማ ንኳዃት ኣዚዘ ኣሎኹ፡ ኢሉ መጾ። 5ከይዱ ኸኣ ከምቲ ቓል እግዚኣብሄር ገበረ። ከይዱውን ኣብቲ ኣብ መንጽር ዮርዳኖስ ዘሎ ርባ ከሪት ተቐመጠ። 6እቶም ኳዃት ድማ ብጊሓት እንጌራን ስጋን፡ ምሸትውን እንጌራን ስጋን የምጽኡሉ ነበሩ፡ ካብቲ ርባ ኸኣ ይሰቲ ነበረ። 7ኰነ ድማ፡ ኣብታ ሃገር ዝናም ስለ ዘይዘነመ፡ ድሕሪ ሓያሎ ግዜ እቲ ርባ ነጸፈ።
   8-9ተንስእ እሞ ናብ ሰራጵታ ናይ ሲዶና ኺድ፡ ኣብኡውን ተቐመጥ። እንሆ፡ ኣብኣ ሓንቲ መበለት ሰበይቲ ኽትምግበካ ኣዚዘ ኣሎኹ፡ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ድማ መጾ። 10ተንሲኡ ኸኣ ናብ ሰራጵታ ኸደ። ናብ ደገ እታ ኸተማ ምስ መጸ ድማ፡ እንሃ፡ ዕጨይቲ እትኣሪ መበለት ሰበይቲ ኣብኡ ነበረት። ንእኣ ኸኣ ጸዊዑ፡ በጃኺ፡ ዝሰትዮ ሒደት ማይ ብቕሓ ጌርኪ ኣምጽእለይ፡ በላ። 11ከተምጽእ ኢላ ምስ ከደት ድማ፡ በጃኺ፡ ኣብ ኢድኪ ቑራስ እንጌራ ተማልእለይ፡ ኢሉ ጸውዓ። 12ንሳ ኸኣ፡ ህያው እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እዩ፡ ኢለ ብጀካ ሸልገት ሓርጭ ኣብ ዕትሮ፡ ሒደት ዘይት ኣብ መቐርሰሚቶ፡ እንጌራስ የብለይን፡ እኔኹ ኸኣ ክልተ ዕጨይቲ እኣሪ ኣሎኹ፡ ኣትየ ድማ ንኣይን ንወደይን ክስንክቶ እሞ በሊዕናዮስ ክንመውት ኢና፡ በለት። 13ኤልያስ ከኣ፡ ኣይትፍርሂ፡ ኪዲ፡ ከምቲ ዝበልክዮ ግበሪ፡ ቅድም ግና ካብኡ ንኣይ ንእሽቶ ቕጫ ሰንኪትኪ ኣምጽእለይ፡ ድሕሪኡ ድማ ንኣኽን ንወድክን ሰንክቲ። 14እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል ኣሎ እሞ፡ ክሳዕ እታ እግዚኣብሄር ንምድሪ ዝናም ዘዝንመላ መዓልቲ ሓርጭ ካብ ዕትሮ ኣይውዳእን፡ እቲ ዘይቲውን ካብ መቐርሰሚቶ ኣይጐድልን፡ በላ። 15ከይዳ ኸኣ ከምቲ ኤልያስ ዝበላ ገበረት። ንሳን ንሱን ቤታን ድማ ብዙሕ መዓልቲ በልዑ፡ 16ከምቲ ቓል እግዚኣብሄር ብኤልያስ እተዛረቦ፡ እቲ ሓርጭ ካብ ዕትሮ፡ እቲ ዘይቲውን ካብ መቐርሰሚቶ ኣይጐደለን።
   17ኰነ ድማ፡ ድሕሪ እዚ ነገር እዚ ወድ እታ ሰበይቲ፡ እታ ብዓልቲ ቤት፡ ሓመመ። እቲ ሕማሙ ኸኣ ትንፋሱ ኽሳዕ ዝሰኣን በርትዖ። 18ሽዑ ንሳ ንኤልያስ፡ ኣታ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ንኣይን ንኣኻንሲ እንታይ ኣራኸበና፡ ሓጢኣተይ ከተዘክር ወደይውን ክትቀትል ኢኻ ዝመጻእካኒ፡ በለቶ። 19ንሱ ግና፡ ወድኺ ሃብኒ፡ በላ። ካብ ሕቒፉ ወሲዳ ኸኣ ናብታ ዝነበረላ ደርቢ ኣደየቦ እሞ ኣብ ዓራቱ ኣደቀሶ። 20ሽዑ ንሱ፡ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፡ ነዛ ኣነ ምሳኣ ብግሽነት ዝነብር ዘሎኹ መበለት ወዳ ብምቕታልዶ ኽፉእ ገበርካያ፡ ኢሉ ናብ እግዚኣብሄር ተማህለለ። 21ኣብ ልዕሊ እቲ ቘልዓ ሰለስተ ሳዕ በጥ ኢሉ ድማ፡ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፡ በጃኻ፡ ነፍሲ እዚ ቘልዓ እዚ ናብ ውሽጡ ምለሳ፡ ኢሉ ናብ እግዚኣብሄር ተማለለ። 22እግዚኣብሄር ከኣ ደሃይ ኤልያስ ሰምዐ፡ ነፍሲ እቲ ቘልዓ ድማ ናብ ውሽጡ ተመለሰት እሞ ህያው ኰነ። 23ኤልያስ ከኣ ነቲ ቘልዓ ወሲዱ፡ ካብ ደርቢ እታ ቤት ኣውሪዱ ነዲኡ ሃባ፡ ኤልያስ ድማ፡ ርኣዪ፡ ወድኺ ሓውዩ፡ በለ። 24እታ ሰበይቲ ኸኣ ንኤልያስ፡ ንስኻ ናይ ኣምላኽ ሰብ ከም ዝዀንካ፡ ቃል እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ኣፍካ ሓቂ ኸም ዝዀነ፡ ሕጂ ፈለጥኩ፡ በለቶ።

1ይ ነገስት  ምዕራፍ 18   

   1ኰነ ድማ፡ ድሕሪ ነዊህ ግዜ በታ ሳልሰይቲ ዓመት ንኤልያስ፡ ኬድካ ንኣከኣብ ተርኣዮ እሞ፡ ንምድሪ ዝናም ከዝንመላ እየ፡ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር መጾ። 2ኤልያስ ከኣ ንኣከኣብ ክርእዮ ኸደ። እቲ ጥሜት ድማ ኣብ ሰማርያ በርቲዑ ነበረ። 3ኣከኣብ ድማ ንኦብድያ ኣዛዝ ቤቱ ጸውዖ። ኦብድያ ኸኣ ንእግዚኣብሄር ኣዝዩ ይፈርሆ ነበረ እሞ፡ 4በቲ ኢዛቤል ንነብያት እግዚኣብሄር ዘጽነተትሉ ግዜ፡ ኣብድያ ሚእቲ ነብያት ወሲዱ፡ በብሓምሳ ገይሩ ኣብ በዓቲ ሓብኦም፡ እንጌራን ማይን ድማ ይምግቦም ነበረ። 5ኣክኣብ ከኣ ንኦብድያ፡ ኲለን እንስሳ ኽይጠፍኣናስ፡ ኣብዛ ሃገር ናብ ኲሉ ዓይኒ ማያትን ኣብ ኲሉ ርባታትን ኪድ፡ ምናልባሽ ሳዕሪ ንረክብ እሞ ኣፍራስን ኣባቕልን ነድሕን፡ በሎ። 6ክዀልዋ ድማ፡ ነታ ሃገር ተማቐልዋ። ኣከኣብ ንበይኑ ብሓደ መገዲ ኸደ፡ ኦብድያውን ንበይኑ ብሓደ ኻልእ መገዲ ኸደ። 7ኦብድያ ኣብ መገዲ ኸሎ ኸኣ፡ እንሆ፡ ኤልያስ ተጓነፎ፡ ኣለልይዎ ድማ ብገጹ ፍግም ኢሉ፡ ንስኻዶ ጐይታይ ኤልያስ ኢኻ፡ በለ። 8ንሱ ድማ በሎ፡ እወ፡ ኣነ እየ። ኪድ፡ ንጐይታኻ፡ ኤልያስ እንሆ፡ በሎ። 9ንሱ ኸኣ በለ፡ ክቐትለንስ ንጊልያኻ ኣብ ኢድ ኣከኣብ ኣሕሊፍካ እትህበኒ፡ እንታይ ሓጢኣት ገይረ እየ፡10ጐይታይ ክደልየካ ኢሉ ዘይለኣኸሉ ህዝብን መንግስትን ከም ዘልቦ፡ ህያው እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እዩ። የሎን፡ ምስ በሉ ኸኣ፡ ንሱ ነቲ መንግስትን ነቲ ህዝብን ከም ዘይረኸቡኻ ኣምሓሎም። 11ሕጂ ድማ ንስኻ፡ ኪድ፡ ንጐይታኻ፡ ኤልያስ እንሆ በሎ፡ ትብለኒ ኣሎኻ 12ክኸውን ከኣ እዩ፡ ኣነ ኻባኻ ምስ ከድኩ፡ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣነ ናብ ዘይፈልጦ እንተ ወሰደካ፡ ኣነ ድማ ኣትየ ንኣከኣብ እነግሮ፡ እንተ ዘይረኸበካ ኸኣ፡ ክቐትለኒ እዩ። ጊልያኻ ግና ካብ ንእስነተይ ጀሚረ ንእግዚኣብሄር ዝፈርህ እየ። 13በቲ ኢዛቤል ንነብያት እግዚኣብሄር ዝቐተለትሉ ግዜ፡ ካብ ነብያት እግዚኣብሄር ሚእቲ ሰብ በብሓምሳ ገይረ ኣብ በዓቲ ሓቢኣ እንጌራን ማይን ከም ዝመገብክዎምሲ፡ እቲ ኣነ ዝገበርክዎ ንጐይታይዶ ኣይነገሩኻን እዮም፡ 14ሕጂ ኸኣ ንስኻ፡ ናብ ጐይታኻ ኼድካስ፡ ኤልያስ እንሆ በሎ፡ ትብለኒ ኣሎኻ። ክቐትለኒ ኸኣ እዩ፡ በለ። 15ኤልያስ ድማ፡ ኣነ ሎሚ ኸም ዝርኣዮ፡ እቲ ኣነ ኣብ ቅድሚኡ ደው ኢለ ዘሎኹ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ህያው እዩ፡ በለ።
   16ኦብድያ ኸኣ ንኣከኣብ ክቃባበሎ ኸደ፡ ነገሮ ድማ። ኣከኣብ ንኤልያስ ክቃባበሎ ኸደ። 17ኰነ ኸኣ፡ ኣከኣብ ንኤልያስ ምስ ረኣዮ፡ ኣከኣብ፡ እቲ ንእስራኤል እተዕገርግር ንስኻ ዲኻ፡ በሎ። 18ንሱ ድማ፡ ንስኻን ቤት ኣቦኻን ትእዛዛት እግዚኣብሄር ብምሕዳግኩምን ደድሕሪ በዓል ብምስዓብካን እምበር፡ ኣነስ ንእስራኤል ኣየዕገርገርኩን። 19ሕጂ ኸኣ ንብዘሎ እስራኤል ነቶም ኣብ መኣዲ ኢዛቤል ዝበልዑ ኣርባዕተ ሚእትን ሓምሳን ነብያት በዓልን ኣርባዕተ ሚእቲ ነብያት ኣስታርተን ልኢኽካ ናብ ከረን ቀርሜሎስ ኣክበለይ፡ በለ። 20ኣክኣብ ድማ ናብ ኲሎም ደቂ እስራኤል ልኢኹ ነቶም ነብያት ናብ ከረን ቀርሜሎስ ኣከቦም።
   21ኤልያስ ድማ ናብ ብዘሎ እቲ ህዝቢ ቐሪቡ፡ ክሳዕ መኣዝ ኢኹም ናብ ክልቲኡ ወገን እትሕንክሱ፡ እግዚኣብሄር እንተ ዀይኑ ኣምላኽ፡ ደድሕሪኡ ስዓቡ፡ በዓል እንተ ደኣ ዀይኑ ኸኣ ንእኡ ስዓቡ፡ በለ። እቶም ህዝቢ ግና ሓንቲ ቓል ኣይመለሱሉን። 22ሽዑ ኣኤልያስ ነቶም ህዝቢ፡ ካብ ነብያት እግዚኣብሄር ኣነ በይነይ ተሪፈ ኣሎኹ፡ ነብያት በዓል ግና ኣርባዕተ ሚእትን ሓምሳን ሰብ እዮም። 23እምበኣር ክልተ ዝራብዕ ይሃቡና እሞ፡ ሓደ ዝራብዕ ንኣታቶም ዝኸውን ይሕረዩ፡ ቈራሪጾም ከኣ ኣብ ልዕሊ ዕጨይቲ የንብርዎ፡ ሓዊ ኸኣ ኣይእጐደሉን። 24ንስኻትኩም ብስም ኣምላኽኩም ተማህለሉ፡ ኣነ ኸኣ ብስም እግዚኣብሄር ክምህለለ እየ። እቲ ብሓዊ ምላሽ ዝህብ ኣምላኽ ከኣ፡ ንሱ ኣምላኽ ይኹን፡ በሎም። ብዘለዉ እቶም ህዝቢ ኸኣ፡ እዚኣስ ጽብቕቲ ዘረባ እያ፡ ኢሎም መለሱ። 25ኤልያስ ድማ ነቶም ነብያት በዓል፡ ንስኻትኩም ትበዝሑ እሞ፡ ቅድም ሓደ ዝራብዕ ሓሪኹም ኣሰናድዉ፡ ብስም ኣምላኽኩም ከኣ ተማህለሉ፡ ሓዊ ግና ኣይትእጐዱሉ፡ በሎም። 26ንሳቶም ድማ ነቲ ዝሃብዎም ዝራብዕ ወሰዱ፡ ኣሰናድዮም ከኣ፡ ዎ በዓል፡ ምላሽ ሃበና፡ እናበሉ ኻብ ብጊሓት ጀሚሮም ክሳዕ ፍርቂ መዓልቲ ብስም በዓል ተማህለሉ። ግናኸ ድምጺ ኣይነበረን፡ ዝመልስውን ኣይነበረን። ነቲ ዝሰርሕዎ መሰውኢ ድማ እናሰረሩ ይዞርዎ ነበሩ። 27ፍርቂ መዓልቲ ምስ ኰነ ኸኣ፡ ኤልያስ፡ ንሱ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ይሓስብ ከይህሉ፡ ወይስ ኣግሊሱ ወይ ገሹ ኸይከውን፡ ምናልባሽ ከኣ ደቂሱ ኸይህሉ፡ ምእንቲ ኽበራበርሲ፡ ዓው ኢልኩም ደኣ ጨድሩ፡ ኢሉ ኣላገጸሎም። 28ዓው ኢሎም ድማ ጨደሩ፡ ከምቲ ስርዓቶም ከኣ ኣብ ልዕሊኦም ደም ክሳዕ ዝፈስስ፡ ንኣካላቶም በስፍያፍን ብዂናውትን ተፍተፍዎ። 29ኰነ ድማ፡ ፍርቂ መዓልቲ ምስ ሓለፈ፡ ክሳዕ እታ መስዋእቲ ብልዒ ዝስውኣላ ግዜ ይንበዩ ነበሩ፡ ግናኸ ድምጺ ኣይነበረን፡ ዝመልስውን ኣይነበረን፡ ዘቕልብ ድማ ኣይነበረን።
   30ሽዑ ኤልያስ ንዂሎም ህዝቢ፡ ናባይ ቅረቡ፡ በሎም። እቶም ህዝቢ ድማ ብዘለዉ ናብኡ ቐረቡ፡ ንሱ ኸኣ ነቲ ፈሪሱ ዝነበረ መሰውኢ እግዚኣብሄር ሓደሶ። 31ኤልያስ ድማ ከም ቍጽሪ ነገዳት ደቂ ያእቆብ፡ ዓሰርተው ክልተ እምኒ ወሰደ። ያእቆብ እቲ፡ እስራኤል ይኹን ስምካ፡ ኢሉ ቓል እግዚኣብሄር ዝመጾ እዩ። 32በቲ ኣእማን ከኣ ብስም እግዚኣብሄር መሰውኢ ሰርሐ። ኣብ ዙርያ እቲ መሰውኢ ድማ ክልተ መስፈር ዘርኢ ዝሕዝ ጒድጓድ ዀዓተ። 33ነቲ ዕጨይቲ ኸኣ ጸፍጸፎ፡ ነቲ ዝራብዕ ቈራሪጹ ድማ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ዕጨይቲ ኣንበሮ። 34በለውን፡ ኣርባዕተ ዕትሮ ማይ መሊእኩም ኣብ ልዕሊ እቲ ዝሓርር መስዋእትን ኣብ ሎሊ እቲ ዕጨይትን ኣፍስሱሉ፡ ካልኣይ ከኣ ግበሩ በለ። ካልኣይ ድማ ገበሩ። ሳልሳይውን ወስኹ በለ። ሳልሳይ ከኣ ወሰኹ። 35እቲ ማይ ኣብ ዙርያ እቲ መሰውኢ ወሐዘ፡ እቲ ጐድጓድ ድማ ማይ መልአ። 36ኰነ ድማ፡ በታ መስዋእቲ ብልዒ ዝቕረበላ ግዜ ነብዪ ኤልያስ ቀሪቡ፡ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብርሃምን ይስሃቅን እስራኤልን፡ ንስካ ኣብ እስራኤል ኣምላኽ ከም ዝዀንካ ኣነውን ኣገልጋሊኻ ምዃነይ፡ ነዚ ዂሉ ድማ ብትእዛዛካ ከም ዝገበርክዎ፡ ሎሚ ኣፍልጥ። 37እዞም ህዝቢ እዚኣኣቶም ከኣ ንስኻ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከም ዝዀንካ፡ ንልቦም ድማ ንስኻ ኸም ዝመለስካዮ ኽፈልጡስ፡ ምላሽ ሃበኒ ዎ እግዚኣብሄር፡ ምላሽ ሃበኒ፡ በለ፡ 38ሽዑ ሓዊ እግዚኣብሄር ወረደ፡ ነቲ ዝሓርር መስዋእትን ነቲ ዕጨይትን ነቲ ኣእማንን ነቲ ሓመድን ድማ በልዖ፡ ነቲ ኣብ ጒድጓድ ዝነበረ ማይውን ለሐሶ። 39ብዘለዉ እቶም ህዝቢ ኸኣ ነዚ ምስ ረኣዩ፡ ብገጾም ተደፊኦም፡ እግዚኣብሄር ንሱ እዩ ኣምላኽ፡ እግዚኣብሄር ንሱ እዩ ኣምላኽ፡ በሉ። 40ኤልያስ ድማ፡ ንነብያት በዓል ሐዝዎም፡ ካባታቶም ሓደ እኳ ኣይምለቑ፡ በሎም። ሐዝዎም ከኣ። ኤልያስ ድማ ናብ ርባ ቂሶን ኣውሪዱ፡ ኣብኡ ሐረዶም።
   41ኤልያስ ከኣ ንኣከኣብ፡ ደሃይ ብርቱዕ ዝናም ኣሎ እሞ፡ ደዪብካ ብላዕን ስተን፡ በሎ። 42ሽዑ ኣከኣብ ክበልዕን ክሰትን ደየበ። ኤልያስ ድማ ናብ ርእሲ ቀርሜሎስ ደየበ፡ ናብ ምድሪ ሰጊዱ ኸኣ ገጹ ኣብ መንጎ ኣብራኹ ገበረ። 43ነቲ ጊልያኡ ድማ፡ ደዪብካ ናብ ባሕሪ ኣቢልካ ኣማዕዱ፡ በሎ። ደዪቡ ኣማዕድዩ ኸኣ፡ ገለ እኳ የልቦን፡ በለ። ንሱ ኸኣ፡ ሾብዓተ ሳዕ ተመላለሰ፡ በለ። 44ኰነ ድማ፡ በታ ሳብዓይቲ ግዜ፡ እንሃ፡ ክንዲ ኢድ ሰብ ዝምንኣሳ ደበና ኻብ ባህሪ ትለዓል ኣላ፡ በለ። ንሱ ኸኣ በሎ፡ ደዪብካ ንኣከኣብ፡ ዝናም ከይዓግተካስ፡ ሰረገላኻ ጽዒንካ ውረድ፡ በሎ። 45ኰነ ድማ፡ ብኡብኡ እቲ ሰማይ በደበናን ብሸምቦባን ጸልመተ፡ ብርቱዕ ዝናም ከኣ ዀነ። ኣከኣብ ድማ ሰረገላኡ ተወጢሑ ናብ ይዝርኤል ከደ። 46ኢድ እግዚኣብሄር ከኣ ኣብ ልዕሊ ኤልያስ ነበረት እሞ፡ ሕቜኡ ተዓጢቑ፡ ክሳዕ እቲ ንይዝርኤል ዘእቱ፡ ቀቅድሚ ኣከኣብ ይጐዪ ነበረ።

1ይ ነገስት  ምዕራፍ 19            

   1ኣከኣብ ድማ እቲ ኤልያስ ዝገበሮ ዂሉን ንዂሎም ነብያት ከኣ ብሴፍ ከም ዝቐተሎምን ንኢዛቤል ነገራ። 2ሽዑ ኢዛቤል ልኡኽ ሰዲዳ፡ ንኤልያስ፡ ጽባሕ ከምዛ ግዜ እዚኣ ንነፍስኻ ኸም ነፍሲ ሓደ ኻባታቶም እንተ ዘይገይረያስ፡ ኣማልኽቲ ኸምዚ ይግበሩኒ፡ ከምዚውን ይወስኹኒ፡ በለቶ። 3ንሱ ኸኣ እዚ ምስ ረኣየ፡ ነፍሱ ምእንቲ ኸድሕን ተንሲኡ ኸደ፡ ናብ ብኤርሸባዕ ናይ ይሁዳ መጸ፡ ነቲ ጊልያኡ ኸኣ ኣብኣ ሓደጎ። 4ንሱ ግና ኣብ በረኻ መገዲ መዓልቲ ኽይድ ውዒሉ፡ ናብ ትሕቲ ሓንቲ ኺለዓው መጺኡ ኾፍ በለ፡ ሞት ተመንዩ ድማ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ኣነስ ካብ ኣቦታተይ ኣይበልጽን እየ እሞ፡ ሕጂ ይኣኽለኒ፡ ንነፍሰይ ውሰዳ፡ በለ፡ 5ኣብ ትሕቲ ሓንቲ ኺለዓው ከኣ በጥ ኢሉ ደቀሰ። እንሆ ድማ፡ መልኣኽ ነቒኒቑ፡ ተንስእ እሞ ብላዕ፡ በሎ። 6እንተ ጠመተ ኸኣ፡ እንሆ፡ ኣብ ርሱን እምኒ እትሰንከተ ቕጫን ሳርማይን ኣብ ትርኣሱ ነበረ። በሊዑን ሰትዩን ድማ መሊሱ በጥ በለ። 7እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ከኣ መሊሱ ኻልኣይ ሳዕ ነቕኒቑ፡ ነዊሕ መገዲ ኣሎካ እሞ፡ ተንሲእካስ ብላዕ፡ በሎ። 8ንሱ ድማ ተንሲኡ በልዐን ሰተየን እሞ፡ ብሓይሊ እቲ ብልዒ እቲ ኽሳዕ ሆሬብ፡ እቲ ኸረን ኣምላኽ፡ ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ከደ። 9ኣብኡ ኸኣ ናብ በዓቲ ኣተወ፡ ኣብኡውን ሓደረ። እንሆ ድማ፡ ቃል እግዚኣብሄር ናብኡ መጺኡ፡ ዎ ኤልያስ፡ ኣብዚ እንታይ ትገብር ኣሎኻ፡ በሎ። 10ንሱ ኸኣ፡ ደቂ እስራኤል ኪዳንካ ሐዲጎም ንመሰውኢታትካ ድማ ኣፍሪሶም፡ ንነብያትካውን ብሴፍ ቀቲሎምዎም እዮም እሞ፡ ስለ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት ቅንኣት ቀኒአ ኣሎኹ። ኣነ ኸኣ በይነይ እየ ተሪፈ ዘሎኹ። ንነፍሰይ ድማ ክወስድዋ ይደልይዋ ኣለዉ፡ በለ። 11ንሱ ኸኣ፡ ወጺእካ ኣብቲ ኸረን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደው በል፡ በለ። እንሆ ድማ እግዚኣብሄር ሐለፈ፡ ቀቅድሚ እግዚኣብሄር ከኣ ኣዝዩ ብርቱዕ ንፋስ ኣኽራን ሰንጠቐ፡ ኣኻውሕ ድማ ሰባበረ። እግዚኣብሄር ግና ኣብቲ ንፋስ ኣይነበረን። ድሕሪ እቲ ንፋስ ከኣ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዀነ፡ እግዚኣብሄር ግና ኣብቲ ምንቅጥቃጥ ኣይነበረን። 12ድሕሪ እቲ ምንቅጥቃጥ ድማ ሓዊ ነበረ፡ እግዚኣብሄር ግና ኣብቲ ሓዊ ኣይነበረን፡ ድሕሪ እቲ ሓዊ ኸኣ ህዱእ ቅሩብ ደሃይ መጸ። 13ኰነ ድማ፡ ኤልያስ እዚ ምስ ሰምዐ፡ ገጹ ብባርኖሱ ኸደነ፡ ወጺኡ ኸኣ ኣብ ኣፍ እቲ በዓቲ ደው በለ። እንሆ ድማ፡ ድምጺ ናብኡ መጺኡ፡ ኣታ ኤልያስ፡ ኣብዚ እንታይ ትገብር ኣሎኻ፡ በሎ። 14ንሱ ኸኣ፡ ደቂ እስራኤል ኪዳንካ ሐዲጎም፡ ንመሰውኢታትካ ድማ ኣፍሪሶም፡ ንነብያትካውን ብሴፍ ቀቲሎምዎም እዮም እሞ፡ ስለ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት ቅንኣት ቀኒአ ኣሎኹ። ኣነ ኸኣ በይነይ እየ ተሪፈ ዘሎኹ፡ ንነፍሰይ ድማ ክወስድዋ ይደልይዋ ኣለዉ፡ በለ። 15እግዚኣብሄር ከኣ፡ ኪድ፡ ብበረኻ ደማስቆ ኣቢልካ በታ ዝመጻእካያ መገዲ ተመለስ፡ ኣብኣ ምስ መጻእካ ድማ፡ ንሃዛኤል ኣብ ሶርያ ኽነግስ ቅብኣዮ። 16ንየሁ ወዲ ኒምሺ ኸኣ ኣብ እስራኤል ክነግስ ቅብኣዮ። ንኤልሳእ ወዲ ሻፋጥ፡ ብዓል ኣቤልሜሆላ ድማ ኣብ ክንዳኻ ነብዪ ክኸውን ቅብኣዮ። 17ክኸውን ከኣ እዩ፡ ነቲ ኻብ ሴፍ ሃዛኤል ዝመለቘ፡ የሁ ክቐትሎ እዩ፡ ነቲ ኻብ ሴፍ የሁ ዝመለቘ ድማ፡ ኤልሳእ ክቐትሎ እዩ። 18ኣነ ግና ንበዓል ዘይተንበርከኻሉ ዂለን ኣብራኽን ዘይሰዓሞ ዂሉ ኣፍን ኣብ እስራኤል ሾብዓተ ሽሕ ሰብ ንኣይ ከትርፍ እየ፡ በለ።
   19ካብኡ ኸይዱ ኸኣ ንኤልሳእ ወዲ ሻፋጥ፡ ንሱ ቐቅድሚኡ ዓሰርተው ክልተ ጽምዲ ገይሩ ኸሕርስ ከሎ ረኸቦ፡ ንሱ ኸኣ ምስቲ መበል ዓሰርተው ክልተ ጽምዲ እዩ ዝነበረ። ኤልያስ ድማ ናብኡ ሐሊፉ ባርኖሱ ኣውደቐሉ። 20ንሱ ኸኣ ነቶም ኣብዑር ሐዲጉ፡ ደድሕሪ ኤልያስ ጐይዩ፡ በጃኻ፡ ነቦይን ነደይን ስዒመስ፡ ደድሕሪኡ ኽስዕበካ፡ ፍቐደለይ፡ በለ። ንሱ ድማ፡ እንታይ እሞ ገይረካ እየ፡ ኪድ ተመለስ፡ በሎ። 21ደድሕሪኡ ኻብ ምስዓብ ተመሊሱ ኸኣ፡ ጽምዲ ብዕራይ ወሲዱ ሐረዶም፡ ነቲ ስጋኦም ድማ በቲ ናውቲ እቶም ኣብዑር ኣብሲሉ፡ ነቶም ህዝቢ ሃቦም፡ በልዑውን። ተንሲኡ ደድሕሪ ኤልያስ ከይዱ ኸኣ የገልግሎ ነበረ።

1ይ ነገስት  ምዕራፍ 20 

   1ቤንሃዳድ ንጉስ ሶርያ ድማ ኩሉ ሰራዊቱ ኣኽተተ። ሰላሳን ክልተን ነገስታትን ኣፍራስን ሰረገላታትን ከኣ ምስኡ ነበሩ። ደዪቡ ድማ ንሰማርያ ኸቢቡ ተዋግአ። 2ናብ ኣከኣብ ንጉስ እስራኤል። ናብታ ኸተማል ልኡኽ ሰዲዱ ድማ፡ 3ቤንሃዳድ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ብሩርካን ወርቅኻን ናተይ እዩ፡ እተን ኣንስትኻን እቶም ዘዝጸበቑ ደቅኻንውን ናተይ እዮም፡ በሎ። 4ንጉስ እስራኤል ከኣ፡ ጐይታይ ንጉስ፡ ከምቲ ዘረባኻ፡ ኣነን እቲ ዘሎኒ ዂሉን ናትካ ኢና፡ ኢሉ መለሰሉ። 5እቶም ልኡኻት ድማ ተመሊሶም በልዎ፡ ቤንሃዳድ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ብሩርካን ወርቅኻን ኣንስትኻን ደቅኻን ሃበኒ፡ ኢለ ልኢኸልካ ነይረ፡ 6ግናኸ ጽባሕ ከምዛ ግዜ እዚኣ ገላዎይ ናባኻ ኽሰድድ እየ እሞ፡ ቤትካን ኣባይቲ ገላዉኻን ክጒርጉሩ እዮም። ክኸውን ከኣ እዩ፡ ንዓይንኻ ባህ ዘብሎ ዂሉ ብኢዶም ሒዞም ክወስድዎ እዮም።
   7ሽዑ እቲ ንጉስ እስራኤል ንዂሎም ዓበይቲ እታ ሃገር ጸዊዑ፡ እዚ ሰብኣይ እዚ ኣንስተይን ደቀይን ብሩረይን ወርቀይን ክህቦ ልኢኹለይሲ ኣይከላእክዎን፡ እምበኣርሲ፡ በጃኹም፡ ንሱ ኽፉእ ከም ዝደልየና ርኢኹም ፍለጡ፡ በሎም። 8ኲሎም ዓበይትን ብዘሎ እቲ ህዝብን ከኣ፡ ኣይትስምዓዮ፡ ሕራይውን ኣይትበሎ፡ በልዎ። 9ንሱ ኸኣ ነቶም ልኡኻት ቤንሃዳድ በሎም፡ ንጐይታይ ንጉስ፡ እቲ ቕድም ንጊልያኻ ዝለኣኽካለይ ኲሉ ነገር ክገብሮ እየ፡ እዚ ነገር እዚ ግና ክገብሮ ኣይክእልን እየ ኢሉ፡ በሉለይ። እቶም ልኡኻት ከኣ ከይዶም እዚ ነገር እዚ መለሱሉ። 10ቤንሃዳድ ድማ፡ እዚ ዝስዕበኒ ዘሎ ኹሉ ህዝቢ ሓመድ ሰማርያ ዐዕምዂቲ እንተ በጺሕዎስ፡ ኣማልኽቲ ኸምዚ ይግበሩኒ፡ ከምዚውን ይወስኹኒ፡ ኢሉ ለኣኸሉ። 11እቲ ንጉስ እስራኤል ከኣ። እቲ ኣጽዋር ዝዓጥቕ ከምቲ ኣጽዋር ዝፈትሕ ገይሩ ኣይጀሃር፡ በልዎ፡ ኢሉ መለሰሉ። 12ኰነ ድማ፡ ቤንሃዳድ፡ ንሱን እቶም ነገስታትን ኣብ ድንኳናት ኰይኖም ክሰትዩ ኸለዉ፡ እዚ ነገር እዚ ሰሚዑ፡ ንገላዉኡ፡ ተሰለፉ፡ በሎም። ነታ ኸተማ ኽወድቅዋ ኸኣ ተሰለፉ።
   13እንሆ ድማ፡ ሓደ ነብዪ ናብ ኣከኣብ ንጉስ እስራኤል ቀሪቡ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ነዚ ብዘሎ ብዙሕ ኣኼባስ ርኢኻዮዶ፧ ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝዀንኩ ምእንቲ ኽትፈልጥሲ፡ እንሆ፡ ሎሚ ኣብ ኢድካ ኽህበካ እየ፡ በሎ። 14ኣከኣብ ድማ፡ ብመን፡ በለ። ንሱ ኸኣ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ብገላዉ እቶም ሹማምቲ ሃገር፡ በለ። መሊሱ ድማ፡ ነቲ ውግእከ መን ይጀምሮ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ንስኻ፡ በሎ። 15ሽዑ ነቶም ገላዉ እቶም ሹማምቲ ሃገር ቈጸሮም እሞ፡ ክልተ ሚእትን ሰላሳን ክልተን ኰኑ። ድሕሪኦም ከኣ ንብዘሎ ህዝቢ፡ ንዂሎም ደቂ እስራኤል ቈጸሮም እሞ፡ ሾብዓተ ሽሕ ኰነ። 16ፍርቂ መዓልቲ ምስ ኰነ ድማ፡ ወጹ። ቤንሃዳድ ግና፡ ንሱን እቶም ነገስታትን፡ እቶም ክሕግዝዎ ዝመጹ ሰላሳን ክልተን ነገስታት ኣብ ድንኳናት ይሰትዩን ይሰኽሩን ነበሩ። 17እቶም ገላዉ ሹማምቲ ሃገር ከኣ ቅድም ወጹ። ቤንሃዳድ ድማ ዝርእዮ ሰደደ እሞ፡ ሰባት ካብ ሰማርያ ይወጹ ኣለዉ፡ ኢሎም ነገርዎ። 18ንሱ ኸኣ፡ ንሰላም ወጺኦም እንተ ዀይኖም፡ ብህይወቶም ሐዝዎም፡ ንውግእ እንተ ዀይኖም ዝወጹውን፡ ብህይወቶም ሐዝዎም፡ በለ። 19እዚኣቶም እቶም ገላዉ ሹማምቲ ሃገርን እቲ ዝሰዓቦም ሰራዊትን ኰይኖም ካብታ ኸተማ ወጹ፡ 20ነፍሲ ወከፍ ድማ ሰሰብኣዩ ቐተለ፡ ሶርያውያን ከኣ ሃደሙ፡ እስራአል ድማ ሰጐጎም፡ ቤንሃዳድ ንጉስ ሶርያ ኸኣ፡ ምስ ገለ ፈረሰኛታት ኰይኑ፡ ብፈረስ ኣምለጠ። 21ንጉስ እስራኤል ከኣ ወጺኡ ንፈድረስን ንሰረገላን ሰባበረ፡ ንሶርያውያን ብርቱዕ ስዕረት ሰዓሮም። 22ሽዑ እቲ ነብዪ ናብ ንጉስ እስራኤል ቀሪቡ፡ ንጉስ ሶርያ በታ እትመጽእ ዓመት ድማ ክድይበካ እዩ እሞ፡ ኪድ፡ ጽናዕ፡ እንታይ ከም እትገብር ከኣ ርኢኻስ ፍለጥ፡ በሎ።
   23ነቲ ንጉስ ሶርያ ኸኣ እቶም ገላዉኡ በልዎ፡ ኣማልኽቶም ኣማልኽቲ ኣኽራን እዮም፡ ስለዚ እዮም ካባና ዝሓየሉ። ግናኸ ኣብ ጐልጐል ኴንና ንዋግኣዮም፡ ብርግጽ ክንሕይሎም ኢና። 24እዚ ነገር እዚ ግዳ ግበሮ፡ ነዞም ነገስታት ነፍሲ ወከፍ ካብ ሰሰፈሮም ኣግልሶም፡ ኣብ ክንዳኦም ድማ ራእስታት ሽም። 25ንስኻ ኸኣ ከምቲ ዝጠፍኣካ ሰራዊት ንኣኻ ሰራዊት ፍቐድ፡ ፈረስ ከምቲ ፈረስ፡ ሰረገላውን ከምቲ ሰረገላ፡ ኣብ ጐልጐል ከኣ ንዋግኣዮም፡ ብርግጽ ክንሕይሎም ኢና። ንሱ ኸኣ ዘረባኦም ሰሚዑ ኸምኡ ገበረ።
   26ኰነ ድማ፡ በታ ኻልኣይቲ ዓመት ቤንሃዳድ ንሶርያውያን ቈጸሮም፡ ምስ እስራኤል ክዋጋእ ከኣ ናብ ኣፌቅ ደየበ። 27ደቂ እስራኤል ድማ ተቘጺሮም ስንቆምውን ሒዞም ክቃባበልዎም ከዱ። እቶም ደቂ እስራኤል ከኣ ክልተ ናእሽቱ መጓሰ ኣጣል መሲሎም ኣብ መንጽሮም ሰፈሩ። እቶም ሶርያውያን ግና ነታ ምድሪ መሊኦምዋ ነበሩ። 28ሽዑ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ቀሪቡ ንንጉስ እስራኤል ክምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እቶም ሶርያውያን፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣኽራን እዩ እምበር፡ ንሱ ኣምላኽ ጐልጐል ኣይኰነን፡ ስለ ዝበሉ፡ ስለዚ ብዘሎ እዚ ዓብዪ ኣኼባ እዚ ኣብ ኢድካ ኽህበካ እየ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ከም ዝዀንኩ ኸኣ ክትፈልጡ ኢኹም። 29እዚኣቶም ድማ ኣብ መንጽር እቲኣቶም ሾብዓተ መዓልቲ ሰፊሮም ቀነዩ። ኣብ ሳብዓይቲ መዓልቲ ኸኣ ውግእ ኰነ። ደቂ እስራኤል ድማ ካብ ሶርያውያን ብሓንቲ መዓልቲ ሽሕ ኣጋር ቀተሉ። 30እቶም ዝተረፉ ግና ናብ ኣፌቅ ናብታ ኸተማ ሃደሙ። ነትም ዝተረፉ ዕስራን ሾብዓተን ሽሕ ሰብ ከኣ መካበብያ ወደቖም። ቤንሃዳድ ድማ ሃዲሙ ናብታ ኸተማ ናብ ፍቕዳ ውሻጠ ይኣቱ ነበረ። 31ገላዉኡ ኸኣ፡ እንሆ ሕጂ፡ እቶም ነገስታት ቤት እስራኤል ምሕረተኛታትን ነገስታት ምዃኖም ሰሚዕና ኣሎና እሞ፡ ምናልባሽ ህይወትካ እንተ መሓረካስ፡ በጃኻ፡ ኣብ ሕቜና ወጮ ተዓጢቕና፡ ኣብ ርእስና ኸኣ ገመድ ጠምጢምና ናብ ንጉስ እስራኤል ንውጻእ፡ በልዎ። 32እምበኣርሲ ወጮ ተዓጢቖም ገመድውን ኣብ ረርእሶም ጠምጢሞም ናብ ንጉስ እስራኤል ድማ መጽኦም። ጊልያኻ ቤንሃዳድ፡ ንነፍሰይ ብህይወት ሕደጋ፡ ኢሉ ይልምነካ ኣሎ፡ በልዎ። ንሱ ኸኣ፡ ንናይ ብህይወቱ ኣሎ፡ ንሱ ሓወይ እዩ። በለ። 33እቶም ሰባት ድማ ነዚ ጽቡቕ ፋል ገይሮምዎ፡ ተቐላጢፎም፡ እወ፡ ቤንሃዳድ ሓውካ እዩ፡ ኢሎም ብእኡ ሓዝዎ። ንስ ኸኣ፡ ኪዱ፡ ኣምጽእዎ፡ በለ። ቤንሃዳድ ድማ ናብኡ ወጸ፡ ንሱ ኸኣ ናብ ሰረገላኡ ኣደየቦ። 34ቤንሃዳድ ድማ፡ እተን ኣቦይ ካብ ኣቦኻ ወሲድወን ዝነበረ ኸተማታት ክመልሰልካ እየ፡ ከምቲ ኣቦይ ኣብ ሰማርያ ገይርዎ ዝነበረ፡ ንስካ ድማ ኣብ ደማስቆ ንኣኻ ኣደባባያት ግበሮ፡ በሎ። ኣከኣብ ከኣ፡ ኣነ ድማ በዚ ውዑል እዚ እሰደካ፡ በሎ። ምስኡ ኪዳን ኣትዩ ከኣ ሰደደ።
   35ሓደ ሰብኣይ ካብቶም ደቂ ነብያት ድማ ብቓል እግዚኣብሄር ንብጻዩ። በጃኻ፡ ውቕዓኒ፡ በሎ። እቲ ሰብኣይ ግና ምውቃዕ ኣበየ። 36ሽዑ ንሱ፡ ንቓል እግዚኣብሄር ስለ ዘይሰማዕካ፡ እንሆልካ፡ ካባይ ምስ ከድካ፡ ኣንበሳ ክቐትለካ እዩ፡ በሎ። ካብኡ ምስ ከደ ኸኣ፡ ኣንበሳ ረኸቦ እሞ ቐተሎ። 37ካልእ ሰብኣይ ድማ ረኸቦ እሞ፡ በጃኻ፡ ውቕዓኒ፡ በሎ። እቲ ሰብኣይ ከኣ ወቕዖ፡ ወቒዑ ድማ ኣቑሰሎ። 38እቲ ነብዪ ኸኣ ከይዱ፡ ኣብ ኣዒንቱ መሸፈኒ ገይሩ፡ መልክዑ ለዊጡ፡ ነቲ ንጉስ ኣብ መገዲ ደው ኢሉ ተጸበዮ። 39ኰነ ድማ፡ እቲ ንጉስ ክሓልፍ ከሎ፡ ንሱ ናብ ንጉስ ከምዚ ኢሉ ጠርዐ፡ ጊልያኻ ናብ ማእከል ውግእ ወጸ፡ እንሆ ኸኣ፡ ሓደ ሰብኣይ ኣግሊሱ፡ ነዚ ሰብኣይ እዚ ሓልዎ፡ ኢሉ ሓደ ሰብኣይ ኣምጽኣለይ። እንተ ጠፍአ፡ ኣብ ክንዲ ነፍሱ ነፍስኻ ኽትሓልፍ እያ፡ ወይ ሓደ ታለንት ብሩር ክትከፍል ኢኻ፡ በለኒ። 40ኰነ ድማ፡ ጊልያኻ ኣብዝን ኣብትን እናበለ ኽዓዪ ኸሎ፡ ንሱ ጠፍአ። እቲ ንጉስ እስራኤል ድማ፡ ባዕልኻ ቘሪጽካዮ፡ ፍርድኻ ኸምኡ እዩ፡ በሎ። 41ሽዑ ንሱ ነቲ መሸፈኒ ኻብ ኣዒንቱ ቐልጢፉ ኣግለሶ። እቲ ንጉስ እስራኤል ከኣ፡ ንሱ ኻብ ነብያት ከም ዝዀነ ኣለለዮ። 42ነቲ ንጉስ ድማ በሎ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ነቲ ዝሓረምክዎ ሰብኣይ ካብ ኢድካ ስለ ዝሰደድካዮ፡ ኣብ ክንዲ ነፍሱ ነፍስኻ፡ ኣብ ክንዲ ህዝቡ ኸኣ ህዝብኻ ይኹን። 43እቲ ንጉስ እስራኤል ድማ ጒህዩ፡ ተቘጢዑ ናብ ቤቱ ኸደ፡ ናብ ሰማርያ ኸኣ መጸ።

1ይ ነገስት  ምዕራፍ 21             

   1ድሕሪዚ ነገር ኣዚ ኸኣ ዀነ፡ ንናቦት ይዝርኤላዊ ኣብ ይዝርኤል፡ ኣብ ጥቓ ኣደራሽ ኣከኣብ ንጉስ ሰማርያ ኣታኽልቲ ወይኒ ገበሮ። 2ኣከኣብ ድማ ንናቦት፡ እዚ ኣታኽልቲ ወይንኻ፡ ንሱ ኣብ ጥቓ ቤተይ እዩ እሞ፡ ኣታኽልቲ ሓምሊ ክዀነንስ፡ ሃበኒ፡ ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ካብኡ ዝበልጽ ኣታኽልቲ ወይኒ ኽህበካ፡ ወይስ እንተ ፈቶኻ፡ ገምጋሙ ገንዘብ ክህበካ፡ ኢሊ ተዛረቦ። 3ናቦት ድማ ንኣከኣብ፡ እቲ ርስቲ ኣቦታተይ ክህበካስ፡ እግዚኣብሄር ካባይ የርሕቆ፡ በሎ። 4ኣከኣብ ከኣ በቲ ናቦት ይዝርኤላዊ፡ ርስቲ ኣቦታተይ ኣይህበካን፡ ኢሉ ተዛሪብዎ ዝነበረ ቓል ጒህዩን ተቘጢዑን ናብ ቤቱ ኣተወ። ገጹ ንንየው መሊሱ ኸኣ ኣብ ዓራቱ በጥ በለ፡ እንጌራውን ምብላዕ ኣበየ። 5ሰበይቱ ኢዛቤል ድማ ናብኡ መጺኣ፡ እንጌራ ዘይትበልዕ፡ እንታይ ኴንካ ኢኻ መንፈስካ ጒህዩ ዘሎ፡ በለቶ። 6ንሱ ኸኣ፡ ንናቦት ይዝርኤላዊ፡ ብገንዘብ፡ ወይ ንስኻ እንተ ፈቶኻ፡ ኣብ ክንዳኡ ኻልእ ኣታኽልቲ ወይኒ ኽህበካስ፡ እቲ ኣታኽልቲ ወይ ነፍሲ ኣይህበካን እየ፡ ኢሉኒ፡ በላ። 7ሰበይቱ ኢዛቤል ከኣ፡ ሕጂስ ንስኻ ደይኰንካን ኣብ እስራኤል እትገዝእ ዘሎኻ፡ ተንስእ፡ እንጌራ ብላዕ፡ ልብኻውን ይተሓጐስ፡ ኣታኽልቲ ወይኒ ናቦት ይዝርኤላዊ ኣነ ኽህበካ እየ፡ በለቶ። 8ብስም ኣከኣብ ደብዳቤታት ጽሒፉ፡ ብማሕተሙ ድማ ሓቲማ፡ ነተን ደብዳቤታት ናብቶም ኣብ ከተማ ናቦት ምስኡ ዝነብሩ ዓበይትን ክቡራትን ሰደደተን። 9ኣብተን ደብዳቤታት ድማ፡ ጾም ኣውጁ፡ ንናቦት ከኣ ኣብ ልዕሊ እቲ ህዝቢ ኣቐምጥዎ። 10ኣብ መንጽሩ ድማ ክልተ ሰብ ደቂ ብልያል ኣቐምጡ። ንሳቶም ከኣ፡ ንኣምላኽን ንንጉስን ረጊምካ ኢኻ፡ ኢሎም ይመስክሩሉ። ኣውጺኦም ድማ ብዳርባ እምኒ ይቕተልዎ፡ ይሙት ከኣ፡ ዝብል ጸሓፈት። 11እቶም ሰብ እታ ኸተማኡ፡ እቶም ኣብ ከተማኡ ዝቕመጡ ዝነበሩ ዓበይትን ክቡራትን ከኣ ከምቲ ኢዛቤል ዝለኣኸትሎም፡ ከምቲ ኣብተን ዝሰደደትሎም ደብዳቤታት ተጽሒፉ ዝነበረ ገበሩ። 12ጾም ኣውጆም ንናቦት ኣብ ልዕሊ እቲ ህዝቢ ኣቐመጥዎ። 13እቶም ክልተ ሰብ ደቂ ብልያል ከኣ መጺኦም ኣብ ቅድሚኡ ተቐመጡ፡ እቶም ናይ ብልያል ሰባት ድማ ኣብ ቅድሚ ህዝብ፡ ታቦት ኣምላኽን ንንጉስን ረጊሙ፡ ኢሎም ንናቦት መስከሩሉ። ናብ ወጻኢ እታ ኸተማ ኣውጺኦም ከኣ፡ ብዳርባ እምኒ ቐተልዎ፡ ሞተ ኸኣ። 14ሽዑ፡ ናቦት ብዳርባ እምኒ ተቐቲሉ፡ ሞይቱ፡ ኢሎም ንኢዛቤል ለኣኹላ። 15ኰነ ኸኣ፡ ኢዛቤል ናቦት ብዳርባ እምኒ ተቐቲሉ ኸም ዝሞተ ምስ ሰምዐት፡ ኢዛቤል ንኣከኣብ፡ ናቦት ብህይወቱ የሎን፡ ሞይቱ እዩ እሞ፡ ተንስእ፡ ነቲ ብገንዘብ ከይህበካ ዝኣበየ ኣታኽልቲ ወይኒ ናቦት ይዝርኤላዊ ውረሶ፡ በለቶ። 16ኰነ ድማ፡ ኣከኣብ፡ ናቦት ከም ዝሞተ ምስ ሰምዐ፡ ኣከኣብ ክወርሶ ተንሲኡ ናብቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ናቦት ይዝርኤላዊ ወረደ።
   17ንኤልያስ ቲስቢታዊ ድማ ቃል እግዚኣብሄር ከምዚ ኢሉ መጾ፡ 18ተንስእ እሞ ናብቲ ኣብ ሰማርያ ዝነብር ኣከኣብ ንጉስ እስራኤል ውረድ። እንሆ፡ ኣብቲ ኽወርሶ ኢሉ ዝወረዶ ኣታኽልቲ ወይኒ ናቦት ኣሎ። 19ከምዚ ኢልካ ኸኣ ተዛረቦ፡ እግዚኣብሂር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ቀቲልካስ፡ ወረስካዮዶ ድማ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብለካ ኣሎ፡ ኣብታ ኣኽላባትስ ደም ናቦት ዝለሓሱላ ቦታ፡ ንኣኻ ድማ ደምካ ኣብኣ ኣኽላባት ክልሕሱ እዮም፡ ኢልካ ተዛረቦ። 20ኣከኣብ ከኣ ንኤልያስ፡ ኣታ ጸላእየይ፡ ረኸብካኒዶ፡ በሎ። ንሱ ድማ በለ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ክትገብር ስለ እተሸጥካ፡ እወ ረኺበካ። 21እንሆ፡ ኣነ ኽፉእ ከምጽኣልካን ክዂስትረካን እየ፡ ኣብ እስራኤል ዘሎ እሱር ኰነ ፍቱሕ፡ ደው ኢሉ ኣብ መንደቕ ዝሸይን ዘበለ ኻብ ኣከኣብ ከጽንቶ እየ። 22ስለቲ ዘቘጣዕካኒ ቑጥዓን ንእስራኤል ድማ ስለ ዘስሓትካዮን፡ ንቤትካ ኸም ቤት የሮብዓም ወዲ ናባጥን ከም ቤት ባዕሳ ወዲ ኣሒያን ክገብራ እየ። 23ብዛዕባ ኢዛቤልውን እግዚኣብሄር ከምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ ንኢዛቤል ኣብ ጸግዒ መከባብያ ይዝርኤል ኣኽላባት ክበልዕዋ እዮም። 24ካብ ቤት ኣከኣብ ኣብ ከተማ ንዝሞተ፡ ኣኽላባት ክበልዕዎ እዮም፡ ኣብ መሮር ንዝሞተ ኸኣ ኣዕዋፍ ሰማይ ክበልዓኦ እየን።
   25ሰበይቱ ኢዛቤል ትድርኾ ነበረት እሞ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ንምግባርሲ፡ ከም ኣከኣብ ገይሩ እተሸጠ ኣይነበረን። 26ንሱ ኸምቲ እቶም እግዚኣብሄር ካብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ዘጥፍኦም ኣሞራውያን ዝገብርዎ ዝነበሩ፡ ደድሕሪ ጣኦታት ብምስዓቡ ብዙሕ ፍንፉን ነገር ገበረ።
   27ኰነ ድማ፡ ኣከኣብ እዚ ዘረባ እዚ ምስ ሰምዐ፡ ክዳውንቱ ቐደደ፡ ስጋኡ ማቕ ከዱኑ ጾመ፡ ኣብ ማቕ ድማ ደቀሰ፡ ቀስ ኢሉውን ይኸይድ ነበረ። 28ሽዑ ቓል እግዚኣብሄር ናብ ኤልያስ ቲስቢታዊ መጺኡ በሎ፡ 29ኣከኣብ ኣብ ቅድመይ ርእሱ ኸም ዘትሓተስ ርኢኻዮዶ፡ ኣብ ቅድመይ ርእሱ ስለ ዘትሓተ፡ ነቲ ኽፉእ ብዘመኑ ኣየምጽኦን፡ ነቲ ኽፉእስ ብዘመን ወዱ ኣብ ልዕሊ ቤቱ ከምጽኦ እየ።

1ይ ነገስት  ምዕራፍ 22    

   1ኣብ መንጎ ሶርያን እስራኤልን ከኣ ውግእ ዘልቦ ሰለስተ ዓመት ተቐመጡ። 2ኰነ ድማ፡ በታ ሳልሰይቲ ዓመት ዮሳፋጥ ንጉስ ይሁዳ ናብ ንጉስ እስራኤል ወረደ። 3እቲ ንጉስ እስራኤል ከኣ ንገላዉኡ፡ ራሞትጊልዓድ ናትና ምዃናስ ትፈልጡዶ ኣሎኹም፡ ንእኣ ኻብ ኢድ ንጉስ ሶርያ ኸይንወስዳ ድማ ንሕና ስቕ ኢልናዶ ኣሎና፡ በሎም። 4ንዮሳፋጥ ከኣ፡ ንራሞትጊልዓድ ክንዋጋኣስ፡ ምሳይዶ ትኸይድ ኢኻ፡ በሎ። ዮሳፋጥ ድማ ንንጉስ እስራኤል፡ ኣነ ኸማኻ እየ፡ ህዝበይ ከም ህዝብኻ፡ ኣፍራሰይ ከም ኣፍራስካ እዮም፡ በሎ። 5ዮሳፋጥ ከኣ ነቲ ንጉስ እስራኤል፡ ሎሚ ንቓል እግዚኣብሄር ክትሓትት፡ እልምነካ ኣሎኹ፡ በሎ። 6ሽዑ እቲ ንጉስ እስራኤል ነቶም ነብያት ኣርባዕተ ሚእቲ ዝኣኽሉ ሰባት ኣኪቡ፡ ንራሞትጊልዓድ ክዋጋእዶ ክኸይድ ወይ ክተርፍ፡ በሎም። ንሳቶም ድማ፡ ደይብ ደኣ፡ ጐይታ ኣብ ኢድ ንጉስ ኣሕሊፉ ኽህባ እዩ፡ በሉ። 7ዮሳፋጥ ከኣ፡ ገናዶ እንሓቶ ነብዪ እግዚኣብሄር ኣብዚ የልቦን፡ በለ። 8እቲ ንጉስ እስራኤል ድማ ንዮሳፋጥ፡ ገና ሓደ ሰብኣይ፡ ሚክያስ ወዲ ዪምላ፡ ብእኡ ጌርና ንእግዚኣብሄር እንሓቶ እባ ኣሎ። ግናኸ ንሱ ኽፉእ እምበር፡ ጽቡቕ ኣይንበየለይን እዩ እሞ፡ ኣነ እጸልኦ እየ፡ በሎ። ዮሳፋጥ ከኣ፡ ንጉስ ከምኡ ኣይዛረብ፡ በለ። 9ሽዑ እቲ ንጉስ እስራኤል ንሓደ ስሉብ ጸዊዑ፡ ንሚክያስ ወዲ ዪምላ ቐልጢፍካ ኣምጽኣዮ፡ በሎ። 10እቲ ንጉስ እስራኤልን ዮሳፋጥ ንጉስ ይሁዳን ከኣ ለልብሰ መንግስቶም ተኸዲኖም ኣብ ኣፍ ደገ ሰማርያ ኣብ ዘሎ ኣደባባይ ኣብ ዘዝፋኖም ተቐሚጦም ነበሩ። ኲላቶም እቶም ነብያት ድማ ኣብ ቅድሚኦም ኰይኖም ይንበዩ ነበሩ። 11ጸድቅያስ ወዲ ከናዓና ኸኣ ኣቕርንቲ ሓጺን ሰሪሑ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ንሶርያውያን ክሳዕ ዝውድኡ በዚኣተን ክትወግኦም ኢኻ፡ በለ። 12ኲሎም ነብያት ድማ ከምኡ፡ ናብ ራሞትጊልዓድ ደይብ፡ ክቐንዓካ ኸኣ እየ፡ እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ኢድ ንጉስ ኣሕሊፉ ኽህባ እዩ፡ ኢሎም ይንበዩ ነበሩ። 13እቲ ንሚክያስ ክጽውዖ ዝኸደ ልኡኽ ከኣ፡ እንሆ፡ እቶም ነብያት ከም ሓደ ኣፍ ኰይኖም ነቲ ንጉስ ጽቡቕ ይዛረቡሉ ኣለዉ፡ ዘረባኻ ድማ፡ በጃኻ፡ ከም ዘረባ ሓደ ኻባታቶም ይኹን እሞ፡ ጽቡቕ ተዛረብ፡ ኢሉ ተዛረቦ። 14ሚክያስ ግና፡ እቲ እግዚኣብሄር ዝብለኒ፡ ንእኡ ኸም ዝዛረብ፡ ህያው እግዚኣብሄር እዩ፡ በለ። 15ናብ ንጉስ ምስ መጸ ድማ እቲ ንጉስ፡ ኣታ ሚክያስ፡ ኬድናዶ ንራሞትጊልዓድ ክንዋግኣ፡ ወይስ ክንተርፍ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ደይብ፡ ክቐንዓካ ድማ እዩ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ኣብ ኢድ ንጉስ ኣሕሊፉ ኽህበ እዩ፡ በሎ። 16እቲ ንጉስ ድማ፡ ብስም እግዚኣብሄር ሓቂ ጥራይ እምበር፡ ካልእ ኣይትዛረበኒ። ኣነ ኽንደይ ሳዕ ከምሕለካ እየ፡ በሎ። 17ንሱ ኸኣ በሎ፡ ንብዘለዉ እስራኤል ጓሳ ኸም ዘይብለን ኣባጊዕ ኣብ ኣኽራን ፋሕ ኢሎም ርኣኽዎም። እግዚኣብሄር ድማ፡ እዚኣቶም ጐይታ የብሎምን፡ ነፍሲ ወከፍ ብሰላም ነናብ ቤቶም ይመለሱ፡ በለ። 18እቲ ንጉስ እስራኤል ከኣ ንዮሳፋጥ፡ እዚ ንኣይ ክፉእ እምበር፡ ጽቡቕሲ ኣይንበየለይን እዩ ደይበልኩኻን፡ በሎ። 19ሚክያስ ድማ በሎ፡ ስለዚ ቓል እግዚኣብሄር ስማዕ። ንእግዚኣብሄር ኣብ ዝፋኑ ተቐሚጡ፡ ብዘሎ ሰራዊት ሰማይ ከኣ ብየማነ ጸጋሙ ቘይሙ ርኣኹ። 20እግዚኣብሄር ድማ፡ ንኣከኣብ ናብ ራሞትጊልዓድ ደዪቡ ኣብኣ ኽወድቕሲ፡ መን ይሓባብሎ፡ በሎ። ሓደ ኸምዚ፡ እቲ ሓደ ኸኣ ከምቲ በለ። 21ሽዑ ሓደ መንፈስ ወጸ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደው ኢሉ ድማ፡ ኣነ ኽሓባብሎ፡ በለ። 22እግዚኣብሄር ከኣ፡ ብምንታይ ጌርካ፡ በሎ። ንሱ ድማ፡ ወጺአ ኣብ ኣፍ ኲሎም ነብያቱ ሓሳዊ መንፈስ ክኸውን እየ፡ በለ። እግዚኣብሄር ከኣ፡ ንስኻስ ትሓባብሎም ኢኻ፡ ትኽእሎ ድማ፡ ወጺእካ ኸምኡ ግበር፡ በሎ። 23ሕጂ ድማ፡ እንሆ፡ ኣብ ኣፍ እዞም ኲሎም ነብያትካ እዚኣቶም እግዚኣብሄር ሓሳዊ መንፈስ ሂብዎም ኣሎ። ኣብ ልዕሌኻ ኸኣ እግዚኣብሄር ክፉእ ተዛሪቡ ኣሎ። 24ሽዑ ጸድቅያስ ወዲ ከናዓና ቐሪቡ ንሚክያስ ኣብ ምንጋጋኡ ጸፍዖ፡ እቲ መንፈስ እግዚኣብሄርሲ ንኣኻ ኽዛረብ ካባይ ዝሓለፈስ፡ ከመይ ኢሉ እዩ፡ ድማ በሎ። 25ሚክያስ ከኣ፡ እንሆልካ፡ በታ ንምሕባእ ካብ ውሻጠስ ናብ ውሻጠ እትኣትወላ መዓልቲ ኽትርኢ ኢኻ፡ በለ። 26እቲ ንጉስ እስራኤል ድማ በለ፡ ንሚክያስ ናብ ኣሞን ሹም እታ ኸተማን ናብ ዮኣስ ወዲ ንጉስን ምለሶ፡ 27በል ከኣ፡ ንጉስ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኣነ ብሰላም ክሳዕ ዝምለስ፡ ነዚ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ግበርዎ፡ እንጌራ መከራን ማይ መከራን ከኣ መግብዎ። 28ሚክያስ ድማ፡ ርግጽ ብሰላም እንተ ተመለስካስ፡ እግዚኣብሄር ብኣይ ኣይተዛረበን እዩ። ኣቱም ህዝቢ ዂላትኩም፡ ስምዑ፡ ከኣ በለ።
   29ከምኡ እቲ ንጉስ እስራኤልን፡ ዮሳፋጥ ንጉስ ይሁዳን ናብ ራሞትጊልዓድ ደየቡ። 30እቲ ንጉስ እስራኤል ድማ ንዮሳፋጥ፡ ኣነ ትርኢተይ ለዊጠ ናብ ውግእ ክኣቱ እየ፡ ንስኻ ግና ልብስኻ ተኸደን፡ በሎ። እቲ ንጉስ እስራኤል ከኣ ትርኢቱ ለዊጡ ናብቲ ውግእ ኣተወ። 31እቲ ንጉስ ሶርያ ኸኣ ነቶም ሰላሳን ክልተን ሓላቑ ሰረገላታቱ፡ ንንጉስ እስራኤል ጥራይ ደኣ እምበር፡ ምስ ንእሽቶ ዀነ፡ ምስ ዓብዪ ዀነ ኣይትዋግኡ፡ ኢሉ ኣዘዞም። 32ኰነ ድማ፡ እቶም ሓላቑ ሰረገላታት ንዮሳፋጥ ምስ ረኣይዎ፡ እዚ ርግጽ እቲ ንጉስ እስራኤል እዩ፡ በሉ፡ ክዋግእዎ ኸኣ ናብኡ ኣግለሱ። ዮሳፋጥ ድማ ጨርሐ። 33ኰነ ኸኣ፡ እቶም ሓላቑ ሰረገላታት ንሱ ንጉስ እስራኤል ከም ዘይኰነ ምስ ረኣዩ፡ ካብ ምስጓጉ ተመለሱ። 34ግናኸ ሓደ ሰብኣይ ቀስቱ ገቲሩ ናብ ዝወረደት ትውረድ ሰደዳ እሞ፡ ነቲ ንጉስ እስራኤል በቲ መጋጠሞ ድርዒ ወግኦ። ሽዑ ንሱ ነቲ ብዓል ሰረገላኡ፡ ተወጊአ እየ እሞ፡ ኢድካ ምለሳ፡ ካብዚ ሰፈር ኣውጽኣኒ፡ በሎ። 35በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ እቲ ውግእ በርትዐ፡ እቲ ንጉስ ከኣ ኣብ መንጽር ሶርያውያን ኰይኑ ኣብ ሰረገላኡ ደው ኢሉ ነበረ፡ ምሸት ድማ ሞተ። ደም እቲ መውጋእቱ ኸኣ ናብ ትሕቲ እቲ ሰረገላ ፈሰሰ። 36ጸሓይ ክትዓርብ ከላ ድማ፡ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ከተማኡ፡ ነፍሲ ወከፍ ከኣ ነናብ ሃገሩ ይመለስ፡ ዝብል ኣዋጅ በቲ ሰፈር ሓለፈ። 37እቲ ንጉስ ድማ ሞተ፡ ናብ ሰማርያ ኸኣ ወሰድዎ፡ ነቲ ንጉስ ድማ ኣብ ሰማርያ ቐበርዎ። 38ነቲ ሰረገላ ኸኣ ኣብ ሓጽቢ ሰማርያ ሓጸብዎ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር እተዛረቦ ቓል ድማ፡ ነቲ ደሙ ኣኽላባት ለሓስዎ፡ ኣመናዝር ከኣ ኣብኡ ተሓጽባ።
   39እቲ ዝተረፈ ናይ ኣከኣብ ነገርን እቲ ዂሉ ዝገበሮን እታ ብስኒ ሓርማዝ ዝሰርሓ ቤትን እተን ዝሰርሐን ኲለን ከተማታት ድማ፡ ንሱ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት እስራኤልዶ ተጽሒፉ ኣየሎን፡ 40ኣከኣብ ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፡ ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ኣሓዝያ ነገሰ።
   41ዮሳፋጥ ወዲ ኣሳ ድማ ንኣከኣብ ንጉስ እስራኤል ኣብ ራብዓይ ዓመቱ ኣብ ልዕሊ ይሁዳ ነገሰ። 42ዮሳፋጥ ክነግስ ከሎ፡ ወዲ ሰላሳን ሓሙሽተን ዓመት ነበረ። ኣብ የሩሳሌም ድማ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ገዝአ። ስም ኣዲኡ ኸኣ ዓዙባ ነበረ፡ ንሳ ጓል ሺልሂ እያ። 43ንሱ ብዂሉ መገዲ ኣቦኡ ኣሳ ኸደ፡ ነቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ዝዀነ ምግባር ካብኡ ኣየግለሰን። 44ነቲ በረኽቲ ግና ኣየርሓቕዎን፡ እቶም ህዝብስ ገና ኣብ በረኽቲ ደኣ ይስውኡን ይዓጥኑን ነበሩ። 45ዮሳፋጥ ከኣ ምስ ንጉስ እስራኤል ሰላም ነበሮ። 46እቲ ዝተረፈ ናይ ዮሳፋጥ ነገርን እቲ ዝገበሮ መንፍዓቱን እቲ እተዋግኦን ድማ፡ ንሱ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘመን ነገስታት ይሁዳዶ ተጽሒፉ ኣየሎን፡ 47ነቶም ብዘመን ኣቦኡ ኣሳ ተሪፎም ዝነበሩ ኣብ ተባዕታይ ዝምንዝሩ ከኣ ካብታ ሃገር ኣጥፍኦም፡ 48ሽዑ ግና ኣብ ኤዶም ንጉስ ኣይነበረን፡ ምስለኔ እዩ ዝገዝእ ዝነበረ። 49ዮሳፋጥ ድማ ናብ ኦፊር ከይደን ወርቂ ኸምጽኣ መራኽብ ተርሲስ ሰርሐ፡ ግናኸ እተን መራኽብ ኣብ ዔጽዮንጋበር ተሰብራ እምበር፡ ኣይከዳን። 50ሽዑ ኣሓዝያ ወዲ ኣከኣብ ንዮሳፋጥ፡ ገላዎይ ምስ ገላዉኻ ብመራኽብ ይኺዱ፡ በሎ። ዮሳፋጥ ግና ኣይፈተወን። 51ዮሳፋጥ ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፡ ምስ ኣቦታቱ ኸኣ ኣብ ከተማ ዳዊት ኣቦኡ ተቐብረ። ኣብ ክንዳኡ ድማ ወዱ ዮራም ነገሰ። 52ኣሓዝያ ወዲ ኣከኣብ ድማ ንዮሳፋጥ ንጉስ ይሁዳ ኣብ መበል ዓሰርተው ሾቦኣተ ዓመቱ ኣብ ሰማርያ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ነገሰ እሞ ክልተ ዓመት ኣብ እስራኤል ገዝአ። 53ንሱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ፡ ብመገዲ ኣቦኡን ብመገዲ ኣዲኡን ብመገዲ እቲ ንእስራኤል ዘስሓተ የሮብዓም ወዲ ናባጥን ከደ። 54ከምቲ ኣቦኡ ዝገበሮ ዂሉ፡ ንበዓል ኣገልገለ ሰገደሉውን እሞ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ኣዀረዮ።

Leave a Reply

መጽሓፍ ቅዱስ ትግርኛ
ብሉይን ሓድሽን ኪዳን
ብሉይ ኪዳን
ሓድሽ ኪዳን
መጽሓፍ ቅዱስ ትግርኛ
ብሉይን ሓድሽን ኪዳን

ብሉይ ኪዳን

ሓድሽ ኪዳን