2ይ ጴጥሮስ ምዕራፍ 1
1ስምኦን ጴጥሮስ፡ ናይ የሱስ ክርስቶስ ባርያን ሃዋርያን፡ ናብቶም ማዕረ እታ ናትና ዝኽብረታ እምነት ብጽድቂ ኣምላኽናን ብመድሓኒናን የሱስ ክርስቶስን እተመቕሉ፡ 2ብፍልጠት ኣምላኽናን ጐይታናን የሱስን ኣባኻትኩም ጸጋን ሰላም ይብዛሕ።
3እቲ ብፍልጠት ክብሩን ደግነቱን ዝጸውዓና ኣምላኻዊ ሓይሉ ንህይወትን ንፍርሃት እግዚኣብሄርን ዝኸውን ኵሉ ኻብ ዝህበና፡ 4ብእኡ እታ ኽብርትን ዓባይን ተስፋ ዝረኸብና፡ ኣብ ዓለም ብፍትወት ስጋ ኻብ ዘሎ ጥፍኣት ወጺእኩም፡ ተማቐልቲ እቲ ኣምላኻዊ ባህርይ ምእንቲ ክትኰኑ፡ 5ብትግሃት ዘበለ ተጋደሉ፡ ኣብ እምነትኩም ደግነት ወስኹ፡ ኣብቲ ደግነትውን ፍልጠት፡ 6ኣብታ ፍልጠት ከኣ ምግታእ ርእስኻ፡ ኣብቲ ምግታእ ርእስኻ ድማ ዓቕሊ፡ ኣብቲ ዓቕሊውን ፍርሃት እግዚኣብሄር፡ 7ኣብ ፍርሃት እግዚኣብሄር ድማ ምፍቃር ኣሕዋት፡ ኣብቲ ምፍቃር ኣሕዋትውን ፍቕሪ ንዅሉ ሰብ። 8እዚ ነገርዚ እንተ ኣሎኩም፡ እናማዕበለውን እንተ ኸደ፡ ንምፍላጥ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ሃካያትን ዘየፍርዩን ክትኰኑ ኣይሓድገኩምን እዩ። 9እቲ እዚ ነገርዚ ዘይብሉስ፡ ካብቲ ናይ ቀደም ሓጢኣቱ ምጽራይ ዝረስዐ፡ ዕዉር፡ ነቲ ኣብ ቀረባ ዘሎ ጥራይ ዝርኢ እዩ። 10ስለዚ፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ ንጽውዓኹምን ምሕራይኩምን ከተጽንዕዎ ኣዚኹም ተጋደሉ። እዚ እንተ ገበርኩምሲ፡ ከቶ ኣይከተንደልህጹን ኢኹም። 11ከምኡውን ናይቲ ናይ ጐይታናን መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስ ዘለኣለማዊ መንግስቲ ምእታው ብምልኣት ክውሃበኩም እዩ።
12ስለዚ ምንም እኳ እንተ ፈለጥኩምዎ፡ ኣብቲ ዘሎኩም ሓቂውን እንተ ጸናዕኩም፡ ነዚ ነገርዚ ኵሉ ግዜ ከዘክረኩም ሓሳበይ እዩ። 13-14ከምቲ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ዝገለጸለይ ከኣ፡ እቲ ምቕንጣጥ ድንኳነይ ቀልጢፉ ከም ዝኸውን ስለ ዝፈለጥኩ፡ ኣብዚ ድንኳን እዚ ኽሳዕ ዘሎኹ፡ ብምዝካር ከንቅሓኩም ቅኑዕ ኰይኑ ይርኣየኒ ኣሎ። 15ግናኸ ድሕሪ ስንብታይ ከኣ ኵሉ ግዜ ነዚ ክትዝክርዎ ኢለ እጽዕር ኣሎኹ። 16ነቲ ናይ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ሓይልን ምጽኣትን ክንነግረኩም ከሎና፡ ነቲ ናይ ግርማኡ ብዓይንና ዝርኣናዮ ምስክር ኴንና ኢና እምበር፡ እተጣበብዎ ጽውጽዋያት ኣይሰዓብናን። 17ካብቲ ግኑን ግርማ ክብሪ፡ ብእኡ ዝሰመርኩ ፍቑር ወደይ እዚ እዩ፡ ዝብል ድምጺ ምስ መጸ፡ ንሱ ኻብ እግዚኣብሄር ኣቦና ክብርን ግርማን ተቐበለ። 18ኣብቲ ቅዱስ ከረን ምስኡ ኸሎና ኸኣ፡ ንሕና ባዕላትና ነዚ ድምጺ እዚ ኻብ ሰማይ ክመጽእ ከሎ ሰሚዕናዮ ኢና።
19ኣዝዩ ዝጸንዐ ቓል ትንቢት ከኣ ኣሎና፡ ምድሪ ክሳዕ ዝወግሕ፡ ኰዀብ ጽባሕውን ኣብ ልብኹም ክሳዕ ዝወጽእ፡ ኣብቲ ስፍራ ጸልማት ከም ዘብርህ መብራህቲ ጌርኩም እንተ ኣስተብሃልኩምሉ፡ ሰናይ ትገብሩ ኣሎኹም። 20ኵሉ ጽሑፍ ትንቢት ትርጉሙ ኻብ ርእሱ ከም ዘይኰነ፡ ቅድሚ ኩሉ እዚ ፍለጡ። 21ትንቢትሲ ቅዱሳት ሰባት እዮም ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም ካብ ኣምላኽ እተዛረብዎ እምበር፡ ከቶ ብፍቓድ ሰብ ኣይመጸን።
2ይ ጴጥሮስ ምዕራፍ 2
1ግናኸ ነብያት ሓሶት ድማ ኣብ ማእከል እቲ ህዝቢ ተንሲኦም ነበሩ፡ ከምኡ ኸኣ ኣብ ማእከልኩም መምህራን ሓሶት ክትንስኡ እዮም፡ ናብ ርእሶም ቅልጡፍ ጥፍኣት እናምጽኡ ድማ፡ ክሳዕ ነቲ እተሻየጦም ጐይታ እኳ ክኽሕድዎ እዮም፡ ንሳቶም ናይ ጥፍኣት ምፍልላይ ኣስሊኾም ከእትዉ እዮም። 2ብዙሓት ድማ ብርኽሰቶም ክስዕብዎም እዮም፡ ብሰሮምውን እታ መገዲ ሓቂ ክትጽረፍ እያ። 3ብስስዐ ብዘረባ ጥበራ ገይሮም፡ መናገዲ ክገብሩኹም እዮም፡ ፍርዶም ካብ ቀደም ኣይዓርፍን ጥፍኣቶምውን ኣይድቅስን እዩ።
4ኣምላኽ ግና ነቶም ሓጢኣት ዝገበሩ መላእኽቲ እኳ ናብ ገሃነም ደርብዩ፡ ብመቝሕ ጸልማት ተኣሲሮም ንፍርዲ ክሕለዉ ኣሕሊፉ ሃቦም እምበር፡ ካብ ዘይነሓፎም፡ 5ነታ ቐዳመይቲ ዓለም ድማ ካብ ዘይነሓፋስ፡ ናብታ ናይ ሓጥኣን ዓለም ማይ ኣይሂ ምስ ኣውረደ ከኣ፡ ንኖህ ሰባኽ ጽድቂ ሳምናይ ርእሱ ሓለዎ። 6ነቶም ደሓር ዝመጹ በደለኛታት መሰክሒ ገይርወን፡ ንኸተማታት ሶዶምን ጎሞራን ሓሙዅስቲ ገይርወን ንምግምጣል ፈረደን። 7ነቲ ብኣበሳኦምን ብርኹስ ንብረቶምን ዝስቀ ዝነበረ ሎጥ ጻድቕ ግና ኣድሓኖ፡ 8ማለት፡ እቲ ጻድቕ ኣብ ማእከሎም ክነብር ከሎ፡ ኣብ ጸጽባሕ በቲ ዝርእዮን ዝሰምዖን ዝነበረ ግብሪ ዓመጻኦም፡ እታ ጻድቕ ነፍሱ ትስቀ ነበረት። 9እምብኣርስኸ ጐይታ ነቶም ፈራህቲ እግዚኣብሄር ካብ ፈተና ከውጽኦም፡ ንገበርቲ ዓመጻ ግና እናቐጽዐ ንመዓልቲ ፍርዲ ክሕልዎም ይፈልጥ እዩ። 10ምናዳ ግና ነቶም ብርኹስ ትምኒት ደድሕሪ ስጋ ዝኸዱ፡ ንጕይትነት ከኣ ዝንዕቁ፡ ደፋራት፡ ፈተውቲ ርእሶም፡ ንኽብርታት ክጸርፉ ዘየንቀጥቅጡ፡ 11መላእኽቲ እኳ ብሓይልን ብስልጣንን ዝበልጹ ክነሶምሲ፡ ኣብ ቅድሚ ጐይታ ንኣታቶም ዝጻረር ፍርዲ ጸርፊ ኣየምጽኡን እዮም። 12እዚኣቶም ግና ከምታ ንማእሰርትን ንጥፍኣትን እተፈጥረት በሃም እንስሳ እዮም፡ ነቲ ዘይፈልጥዎ እናጸረፉ ብጥፍኣቶም ክጠፍኡ እዮም፡ 13ዓስቢ ዓመጻኦምውን ክቕበሉ እዮም። ነቲ ናይ ዕለት ሕንቃቐ ኸም ጥዑም ንብረት ገይሮም ይርእይዎ። ርኹሳትን ነውራማትን እዮም፡ ብምጥባሮም እናተቐለቡ ምሳኻትኩም ኣብ መኣዲ ይበልዑ ኣለው። 14ዝሙት ዝመልኦ ኻብ ሓጢኣት ከኣ ዘየቛርጻ ኣዒንቲ ኣለዋኦም፡ ነተን ዘይጸንዓ ነፍሳት ይሓብልወን፡ ስስዐ ዝለመደ ልቢ ኣለዎም፡ ደቂ መርገም እዮም። 15ነታ ቅንዕቲ መገዲ ሓዲጎም ተጋገዩ፡ መገዲ እቲ ዓስቢ ዓመጻ ዝፈተወ በልኣም ወዲ ቦሶር ሰዓቡ። 16ስለ ኣበሳኡ ግና መግናሕቲ ተቐበለ፡ በሃም ኣድጊ ጽዕነት ብድምጺ ሰብ ተዛረበት፡ ንጽላለ እቲ ነብዪ ከኣ ዓገተት። 17ንሳቶም ማይ ዘይብሉ ዔላታት ህቦብላ ዝኽብክቦ ግመን እዮም፡ ንኣታቶም ግብ ዝበለ ጸልማት ንዘለኣለም ተኣኪብሎም ኣሎ። 18ከንቱ ዝዀነ ዘረባ ትዕቢት እናተዛረቡ ብፍትወት ስጋን ብርኽሰትን ነቶም ካብቶም ብስሕተት ዝነብሩ ሕጂ ቕሩብ ዘምለጡ ይሓባብሉ፡ 19እተሳዕረ ሰብ ነቲ ዝሰዓሮ ባርያኡ ይዀኖ እዩ እሞ፡ ንሳቶም ንርእሶም ባሮት ጥፍኣት ክነሶም፡ ሓራ ክትወጹ ኢኹም እናበሉ፡ የተስፍውዎም ኣለዉ። 20ብፍልጠት ጐይታናን መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስ ካብታ ርኽሰት ዓለም ኣምሊጦም፡ ከም ብሓድሽ ብእኣ ተጠሊፎም እንተ ተሳዕሩ፡ ካብ ቀዳማዮምሲ ዳሕራዮም ዝገደደ እዩ ዝኸውን። 21ማለት፡ ንሳቶም እናፈለጥዋ ካብቲ እተዋህቦም ቅዱስ ትእዛዝ ንድሕሪት ካብ ዝምለሱስ፡ ነታ መገዲ ጽድቂ እንተ ዘይፈልጥዋ ምሓሾም ነይሩ። 22ከምቲ እቲ ምስላ ሓቂ፡ ከልቢ ናብ ትፍኡ ተመልሰ፡ ሓሰማውን ተሓጺባስ ኣብ ጸብሪ ኣንገርገረት፡ ዝብሎ በጺሕዎም ኣሎ።
2ይ ጴጥሮስ ምዕራፍ 3
1-2ኣቱም ፍቁራተይ፡ እዛ ሕጂ ዝጽሕፈልኩም ዘሎኹ ካልኣይቲ ደብዳበይ እያ፡ ቀደም ብቕዱሳት ነብያት እተባህለ ቃልን ብሃዋርያትኩም ካብ ጐይታናን መድሓኒናን ዝረኸብኩምዎ ትእዛዝን ምእንቲ ክትዝክሩ ኢለ፡ ብኽልቲኣተን እናኣዘከርኩኹም ነቲ ግሩህ ሓሳብኩም ኣንቅሖ ኣሎኹ። 3ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ከም ፍትወት ርእሶም ዝመላለሱን ዘላግጹ መላገጽትን ከም ዝመጹ፡ ቅድሚ ኩሉ እዚ ፍለጡ። 4ንሳቶም ከኣ፡ ተስፋ ምጽኣቱ ደኣ ኣበይ ኣሎ ፧ ካብታ ኣቦታትና ዝደቀሱላ መዓልቲ፡ ካብ መጀመርታ ፍጥረት ሒዙ ኵሉ ኸምቲ ዝነበሮ እዩ ዘሎ፡ ክብሉ እዮም። 5ሰማያት ካብ ጥንቲ ብቓል ኣምላኽ ከም ዝነበረ፡ ምድሪውን ካብ ማይን ብማይን ምዃና፡ ነዚ ፈትዮም ይርስዕዎ ኣለዉ። 6እታ ሽዑ ዝነበረት ዓለም ብእኡ፡ ነቲ ማይ፡ ተሰጢማ ጠፍአት። 7እቲ ሕጂ ዘሎ ሰማያትን ምድርን ግና ብቓሉ ተዓቝሩ ኣሎ፡ ክሳዕ መዓልቲ ፍርድን ክሳዕ ጥፍኣት እቶም ንእግዚኣብሄር ዘይፈርሁ ሰባትን ንሓዊ ይሕሎ ኣሎ።
8ግናኸ፡ ኣቱም ፍቁራተይ፡ ኣብ እግዚኣብሄር ሓንቲ መዓልቲ ኸም ሽሕ ዓመት፡ ሽሕ ዓመትውን ከም ሓንቲ መዓልቲ ምዃኑ፡ እዛ ሓንቲ ነገር እዚኣ ኣይትሰወርኩም። 9ጐይታስ፡ ኵላቶም ናብ ንስሓ ክበጽሑ እምበር፡ ሓደ እኳ ክጠፍእ ዘይፈቱ ስለ ዝዀነ፡ ምእንታኻትኩም ይዕገስ ኣሎ እምበር፡ ከምቲ ንገሊኣቶም ዝድንጕ ዝመስሎም፡ ንተስፋኡ ኣየደንጕዮን እዩ። 10መዓልቲ ጐይታ ግና ከም ሰራቒ ዀይና ክትመጽእ እያ፡ ብእኣ ሰማያት ጥዋዕዋዕ እናበለ ክሓልፍ እዩ፡ ፍጥረት ሰማይ ብረስኒ ክመክኽ፡ ምድርን ኣብኣ ዘሎ ግብርታትን ክነድድ እዩ። 11-12ደጊም እዚ ዅሉ ዝፈላለ ካብ ኰነ፡ ስሊኡ ሰማያት ብሓዊ መኺኹ ዝፈላለየሉ፡ ፍጥረት ሰማያት ብረስኒ ዝመከሉ፡ ነቲ ምጽኣት መዓልቲ ኣምላኽ እናተጸበኹምዎን እናኣቐልጠፍኩምዎን ብቕዱስ ንብረትን ብፍርሃት እግዚኣብሄርን ከመይ ዝበሉ ክትኰኑ እዩ ዝግብኣኩም። 13ንሕና ግና፡ ከምቲ ተስፋኡ፡ ጽድቂ ዝነብረሉ ሓድሽ ሰማያት ሓድሽ ምድርን ንጽበ ኣሎና።
14ስለዚ ኸኣ፡ ኣቱም ፍቁራተይ፡ ነዚ እናተጸበኹምሲ፡ ብዘይ ነውርን ብዘይ መንቅብን ብሰላም ኣብ ቅድሚኡ ኽትርከቡ ተጋደሉ። 15ከምቲ እቲ ፍቁር ሓውና ጳውሎስ ድማ በቲ እተዋህቦ ጥበብ ዝጸሓፈልኩም፡ ነቲ ትዕግስቲ ጐይታና ንምድሓንኩም ቍጸርዎ። 16ንሱ ኣብ ኵላተን ደብዳቤታቱ ድማ ነዚ ነገር እዚ ክዛረበሉ ከሎ፡ ኣብኡ ንምስትውዓሉ ዝሽግር ሓያሎ ነገር ኣሎ። እቶም ደናቝርትን ዘይጽኑዓትን፡ ከምቲ ነቲ ኻልእ ጽሑፋት ንጥፍኣት ርእሶም ዝጠዋወይዎ ገይሮም ይጠዋውይዎ ኣለዉ።
17ደጊም፡ ኣቱም ፍቁራተይ፡ ነዚ ቕድም እናፈለጥኩምሲ፡ ብስሕተት እቶም ስዲ ዝኸዱ ዘለዉ ተስሒብኩም ካብ ጽንዓት ከይትወድቁ ተሓለዉ። 18ብጸጋን ብፍልጠት ጐይታናን መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስ ደኣ ዕበዩ። ንእኡ ሕጅን ዘለኣለምን ክብሪ ይኹኖ። ኣሜን።