ኦሪት ዘፍጥረት

1  2  3  4  5  6  7  8  9  
10  11  12 13  14  15
16  17  18  19  20  21
22  23  24  25  26  27  
28  29  30  31  32  33
34  35  36  37  38
39  40  41  42  43  
44  45  46  47 
 48  49  50





   ዘፍጥረት ምዕራፍ 1
   1ኣምላኽ ብመጀመርታ ሰማይን ምድርን ፈጠረ። 2ምድሪ ድማ በረኻን ጥራያን ነበረት፡ ጸልማት ከኣ ኣብ ልዕሊ መዓሙቕ ነበረ። መንፈስ ኣምላኽ ድማ ኣብ ልዕሊ ማያት ይዝምቢ ነበረ። 3ኣምላኽ ከኣ፥ ብርሃን ይኹን፡ በለ። ብርሃን ድማ ዀነ። 4ኣምላኽ ድማ እቲ ብርሃን ጽቡቕ ከም ዝዀነ ረኣየ። ኣምላኽ ከኣ ነቲ ብርሃን ካብ ጸልማት ፈለዮ። 5ኣምላኽ ነቲ ብርሃን መዓልቲ ኣውጽኣሉ። ነቲ ጸልማት ከኣ ለይቲ ኣውጽኣሉ። ምሸት ኰነ ብጊሓትውን ኰነ፡ ሓንቲ መዓልቲ።
6ኣምላኽ ድማ፡ ንማያት ካብ ማያት ዝፈሊ ጠፈር ኣብ መንጎ ማያት ይኹን፡ በለ። 7ኣምላኽ ነቲ ጠፈር ገበሮ። ነቲ ኣብ ትሕቲ ጠፈር ዘሎ ማያት ድማ ኻብቲ ኣብ ልዕሊ ጠፈር ዘሎ ማያት ፈለዮ፡ ከምኡውን ኰነ። 8ኣምላኽ ከኣ ነቲ ጠፈር ሰማይ ኣውጽኣሉ። ምሸት ኰነ ብጊሓትውን ኰነ፡ ካልአይቲ መዓልቲ።
9ኣምላኽ ድማ፡ እቲ ንቑጽ ምእንቲ ኽርአስ፡ እቲ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ዘሎ ማያት ናብ ሓንቲ ቦታ ይተኣከብ፡ በለ። ከምኡ ድማ ዀነ። 10ኣምላኽ ከኣ ነቲ ንቑጽ ምድሪ ኣውጽኣሉ፡ ነቲ እኩብ ማያት ድማ ባሕሪ ኣውጽኣሉ። ኣምላኽ ከኣ ጽቡቕ ከም ዝዀነ ረኣየ። 11ኣምላኽ ድማ፥ እታ ምድሪ ሳዕርን ዘርኢ ዝህብ ብቑልን፡ ዘርኡ ኣብ ርእሱ ዘለዎ፡ ፍረ ከከም ዓይነቱ ኣብ ምድሪ ዝፈሪ ኦም ተውጽእ፡ በለ። ከምኡ ድማ ዀነ። 12እታ ምድሪ ሳዕርን ከከም ዓይነቱ ዘርኢ ዝህብ ብቑልን፡ ዘርኡ ኣብ ርእሱ ዘለዎ ፍረ ዝፈሪ ኣእዋም ከኣ ኣውጽአት። ኣምላኽ ድማ ጽቡቕ ከም ዝዀነ ረኣየ። 13ምሸት ኰነ ብጊሓትውን ኰነ፡ ሳልሰይቲ መዓልቲ።
14ኣምላኽ ድማ፥ ንመዓልቲ ኻብ ለይቲ ዝፈልዩ ብርሃናት ኣብ ጠፈር ሰማይ ይኹን፡ ንዘበናትን ንመዓልታትን ዓመታትን ከኣ ንመፈለጥታ ይኹን። 15ኣብ ምድሪ ንምብራህ ኣብ ጠፈር ሰማይ ብርሃናት ይኹን፡ በለ። ከምኡ ድማ ዀነ። 16ኣምላኽ ከኣ ኽልተ ዓበይቲ ብርሃናት ገበረ፥ እቲ ዓብዪ ብርሃን ብመዓልቲ ኽስልጥን፡ እቲ ንእሽቶ ብርሃን ድማ ብለይቲ ኽስልጥን፡ ከዋኽብቲውን ገበረ። 17-18ኣብ ልዕሊ ምድሪ ምእንቲ ኸብርሁ፡ ኣብ መዓልትን ኣብ ለይትን ድማ ክስልጥኑ፡ ንብርሃንውን ካብ ጸልማት ክፈልዩ፡ ኣምላኽ ኣብ ጠፈር ሰማይ ገበሮም። ኣምላኽ ድማ ጽቡቕ ከም ዝዀነ ረኣየ። 19ምሸት ኰነ ብጊሓትውን ኰነ፡ ራብዐይቲ መዓልቲ።
20ኣምላኽ ድማ፥ ማያት ህያው ነፍሲ ዘለዎ ውንጅርጅር ዝብል እንስሳ የውጽእ፡ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኣብ ትሕቲ ጠፈር ሰማይ ከኣ ኣዕዋፍ ይንፈራ፡ በለ። 21ኣምላኽ ድማ ነቶም ዓበይቲ እንስሳ ባሕርን ነቲ ማያት ዘውጽኦ በብዓይነቱ ህያው ነፍሲ ዘለዎ ውንጅርጅር ዝብል ኵሉን፡ ክንፊ ዘለወን በብዓይነተን ኵለን ኣዕዋፍን ፈጠረ። ኣምላኽ ከኣ ጽቡቕ ከም ዝዀነ ረኣየ። 22ኣምላኽ ድማ፥ ፍረዩን ተባዝሑን ንማያት ባሕሪ ምልእዎ፡ ኣዕዋፍ ከኣ ኣብ ምድሪ ይብዝሓ፡ ኢሉ ባረኾም። 23ምሸት ኰነ ብጊሓትውን ኰነ፡ ሓምሰይቲ መዓልቲ።
24ኣምላኽ ድማ፥ ምድሪ ህያው ነፍሲ ዘለዎ በብዓይነቱ እንስሳን ለመምታን ኣራዊት ምድርን በብዓይነቱ ተውጽእ፡ በለ። ከምኡውን ኰነ። 25ኣምላኽ ከኣ ኣራዊት ምድሪ በብዓይነቱን እንስሳ በብዓይነቱን ኵሉ ለመምታ ምድሪ ኸኣ በብዓይነቱ ገበረ። ኣምላኽ ድማ ጽቡቕ ከም ዝዀነ ረኣየ።
26ኣምላኽ ከኣ፥ ብመልክዕና ኸም ምስልና ሰብ ንግበር፡ ንዓሳ ባሕርን ነዕዋፍ ሰማይን ንእንስሳን ንብዘላ ምድርን ኣብ ምድሪ ለመም ንዝብል ኵሉ ለመምታን ይግዝኡ፡ በለ። 27ኣምላኽ ድማ ብመልክዑ ሰብ ፈጠረ። ብመልክዕ ኣምላኽ ፈጠሮ። ተባዕታይን ኣንስተይትን ገይሩ ፈጠሮም። 28ኣምላኽ ከኣ ባረኾም። ኣምላኽ ድማ፡ ፍረዩን ተባዝሑን ንምድሪ ከኣ ምልእዋን ምለኽዋን፡ ንዓሳ ባሕርን ነዕዋፍ ሰማይን ኣብ ምድሪ ለመም ንዝብል ኵሉ እንስሳን ከኣ ግዝኡ፡ በሎም። 29ኣምላኽ ድማ፥ እንሆ፡ ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ዘርኢ ዘለዎ ዅሉ ኣሕምልትን ዝዝራእ ዘርኢ ዘለዎ ፍረ ኦም ናይ ኵሉ ኣእዋምን ሂበኩም ኣሎኹ እሞ፡ ምግቢ ይኹንኩም። 30ንዅሉ ኣራዊት ምድርን ንኹለን ኣዕዋፍ ሰማይን ህያው ነፍሲ ንዘለዎ ኣብ ምድሪ ለመም ንዝብል ኵሉ ኸኣ ኵሉ ለምለም ሳዕሪ ንምግቦም ሂበዮም ኣሎኹ፡ በለ። ከምኡ ድማ ዀነ። 31ኣምላኽ ከኣ ዝገበሮ ዘበለ ዅሉ ረኣየ፡ እንሆ፡ ብዙሕ ጽቡቕ ኰነ። ምሸት ኰነ ብጊሓትውን ኰነ፡ ሳድሰይቲ መዓልቲ።

   ዘፍጥረት  ምዕራፍ 2            

1ከምኡ ሰማይን ምድርን ኵሉ ሰራዊቶምን ተፈጸሙ።
2ኣምላኽ ከኣ ነቲ ዝገበሮ ግብሩ በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ፈጸሞ፡ ብሳብዓይቲ መዓልቲ ድማ ኻብቲ ዝገበሮ ዅሉ ግብሩ ዓረፈ። 3ኣምላኽ ከኣ ኻብቲ ዝፈጠሮን ዝገበሮን ኵሉ ግብሩ ብእኣ ስለ ዝዓረፈ፡ ነታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ባረኻን ቀደሳን።
  4በታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምድርን ሰማይን ዝፈጠረላ መዓልቲ ምስ ተፈጥሩ፡ ወለዶ ሰማይን ምድርን እዚ እዩ። 5እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ገና ኣየዝነመን ነበረ፡ ንምድሪ ዝዓዪ ሰብውን ኣይነበረን እሞ፡ ገና ገለ ኦም መሮር ኣይነበረን፡ ሳዕሪ መሮር ከኣ ሓንቲኳ ኣይበቘለትን ነበረት። 6ግናኸ ንዅሉ ዝባን ምድሪ ዘስቲ ግመ ኻብ ምድሪ ይወጽእ ነበረ። 7እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ ንሰብ ካብ ሓመድ ምድሪ ገበሮ፡ ኣብ ኣፍንጫኡ ድማ ትንፋስ ህይወት ኡፍ በለሉ እሞ እቲ ሰብ ህያው ነፍሲ ዀነ።
8እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ ኣብ ኤድን ብሸነኽ ምብራቕ ገነት ተኸለ። ነቲ ዝገበሮ ሰብ ድማ ኣብኣ ኣንበሮ። 9እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ ምርኣዩ ዘብህግ፡ ምብላዑ ዝጥዑም ኵሉ ኦም ኣብ ምድሪ ኣብቈለ፡ ኣብ ማእከል ገነት ከኣ ኦም ህይወት፡ እታ ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም ድማ። 10ንገነት ዘስቲ ርባ ከኣ ካብ ኤድን ይውሕዝ ነበረ። ካብኡ ድማ ተፈላልዩ ኣርባዕተ ጨንፈር ኰነ። 11ስም እቲ ሓደ ፒሶን እዩ። ነሱ ነታ ወርቂ ዘለዋ ዅላ ምድሪ ሓዊላ ይኸብብ። 12ወርቂ እታ ምድሪ እቲኣ ድማ ጽቡቕ እዩ። ኣብኡ ብዶላህን ክቡር ዕንቍን ኣሎ። 13ስም እቲ ኻልኣይ ርባ ድማ ጊሆን እዩ፡ ንሱ ንዅላ ምድሪ ኩሽ ይዞራ። 14ስም እቲ ሳልሳይ ርባ ኸኣ ሄዴቄል እዩ፡ ንሱ ብቕድሚ ኣሶር ኣቢሉ ዝኸይድ እዩ። እቲ ራብዓይ ርባ ድማ ኤፍራጥስ እዩ።
15እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ ንሰብ ወሲዱ፡ ክዓይያን ክሕልዋን ኣብ ገነት ኤድን ኣቐመጦ። 16እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ንሰብ፡ ካብ ኵሉ ኦም ገነት ከም ዝደለኻ ብላዕ፡ 17ካብታ ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም ግና፡ ካብኣ ምስ እትበልዕ መዓልትስ ሞት ክትመውት ኢኻ እሞ፡ ካብኣ ኣይትብላዕ፡ ኢሉ ኣዘዞ።
18እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ፡ ሰብኣይ በይኑ ክኸውን ጽቡቕ ኣይኰነን፡ ንእኡ እትበቅዕ ደጋፊት ክገብረሉ እየ፡ በለ።
19እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ንዅሉ ኣራዊት መሮርን ንዅለን ኣዕዋፍ ሰማይን ካብ ምድሪ ገበረ። እንታይ ከም ዝሰምየን ምእንቲ ኽርኢ ኸኣ ናብ ሰብ ኣምጽአን። ነቲ ህያው ነፍሲ ዘለዎ ዅሉ፡ እቲ ሰብ ከም ዘውጽኣሉ፡ ስሙ ንሱ ዀነ። 20ሰብ ድማ ንኹሉ እንስሳን ነዕዋፍ ሰማይን ንኣራዊት መሮርን ሰስሙ ሃቦ። ንሰብ ግና ንእኡ እትበቅዕ ደጋፊት ኣይተረኸበትን። 21እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ ነቲ ሰብኣይ ከቢድ ድቃስ ኣውደቐሉ፡ ደቀሰ ድማ። ካብ መሰንገሊኡ ኸኣ ሓንቲ ወሰደ፡ ኣብ ስፍራኣ ድማ ስጋ መልኣ። 22እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ነታ ኻብ ሰብኣይ ዝወሰዳ መሰንገለ፡ ሰበይቲ ገይሩ፡ ሰርሓ እሞ ናብቲ ሰብኣይ ኣምጽኣ። 23እቲ ሰብኣይ ከኣ፥ እዚኣ ዓጽሚ ኻብ ኣዕጽምተይ፡ ስጋ ኸኣ ካብ ስጋይ እያ፡ ካብ ሰብኣይ ተወሲዳ እያ እሞ፡ ሰበይቲ ትብሃል፡ በለ። 24ስለዚ ሰብኣይ ኣቦኡን ኣዲኡን ይሓድግ፡ ምስ ሰበይቱ ኸኣ ይጠብቕ። ሓደ ስጋ ድማ ይዀኑ። 25እቲ ሰብኣይን ሰበይቱን ድማ ኽልቲኦም ጥራዮም ነበሩ፡ ኣይሓንኩን ከኣ ነበሩ።

   ዘፍጥረት  ምዕራፍ 3            
   1እግዚኣብሄር ኣምላኽ ካብ ዝፈጠሮ ዅሉ ኣራዊት መሮር ተመን ይጐርሕ ነበረ። ነታ ሰበይቲ ኸኣ፥ ኣምላኽሲ፥ ካብ ኵሉ ኦም ገነት ኣይትብልዑ፡ ኢሉዶ ኣዚዙ እዩ፧ በላ። 2እታ ሰበይቲ ነቲ ተመን በለቶ፥ ኣብ ገነት ካብ ዘሎ ፍረ ኦም ንበልዕ ኢና። 3ብዛዕባ ፍረ እታ ኣብ ማእከል ገነት ዘላ ኦም ግና ኣምላኽ፥ ከይትሞቱስ፡ ካብኣ ኣይትብልዑ ኣይትተንክይዋውን፡ በለ። 4-5እቲ ተመን ድማ ነታ ሰበይቲ፡ ኣይፋልኩም፡ ኣምላኽ ደኣ ካብኣ ምስ እትበልዑ መዓልቲ ኣዒንትኹም ከም ዝኽፈታ፡ ከም ኣምላኽውን ከም እትዀኑ፡ ጽቡቕን ክፉእን ከኣ ከም እትፈልጡ፡ ስለ ዝፈለጠ እዩ እምበር፡ ከቶ ኣይትሞቱን ኢኹም፡ በላ። 6እታ ሰበይቲ ድማ፡ እታ ኦም ምብላዓ ጥዕምቲ፡ ነዒንቲ ኸኣ ጽብቕቲ፡ ጥበብ ብምሃባውን እተብህግ ኦም ምዃና ርእያ፡ ካብ ፍሪኣ ወሲዳ በልዐት፡ ምስኣ ኸኣ ንሰብኣያ ሃበቶ፡ ንሱውን በልዐ። 7ሽዑ ኣዒንቲ ኽልቲኦም ተኸፍታ፡ ጥራዮም ምዃኖም ድማ ፈለጡ። ቈጽሊ በለስ ኣላጋጊቦም ከኣ ተዓጥቁ። 8ምድሪ ምስ ወልወለ ድማ፡ ድምጺ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብ ገነት ክመላለስ ሰምዑ። ኣዳምን ሰበይቱን ከኣ ካብ ገጽ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብ ማእከል ኣእዋም ገነት ተሓብኡ። 9እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ንኣዳም ጸዊዑ፥ ኣበይ ኣሎኻ፧ በሎ። 10ንሱ ኸኣ፥ ድምጽኻ ኣብ ገነት ሰሚዐ ፈራህኩ፡ ጥራየይ ከኣ እየ እሞ፡ ተሓባእኩ፡ በለ። 11ንሱ ድማ፥ ጥራይካ ምዃንካ ደኣ መን ነገረካ፧ ካብታ፡ ካብኣ ኣይትብላዕ፡ ኢለ ዝኣዘዝኩኻ ኦምዶ በሊዕካ ኢኻ፧ በሎ። 12ኣዳም ከኣ፥ እዛ ምሳይ ክትከውን ዝሃብካኒ ሰበይቲ ኻብታ ኦም ሃበትኒ እሞ በላዕኩ፡ በለ። 13እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ነታ ሰበይቲ፥ ስለምንታይ እዚ ገበርኪ፧ በላ። እታ ሰበይቲ ኸኣ፡ ተመን ኣስሒቱኒ በላዕኩ፡ በለቶ።
14ሽዑ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ነቲ ተመን፡ እዚ ስለ ዝገበርካ፡ ካብ ኵሉ እንስሳን ኣራዊት መሮርን ርጉም ኩን፡ ብኸብድኻ ክትከይድ፡ ኵሉ ዘበን ህይወትካ ድማ መሬት ክትበልዕ ኢኻ። 15ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ እዛ ሰበይትን፡ ኣብ መንጎ ዘርእኻን ኣብ መንጎ ዘርኣን ከኣ ጽልኢ እተክል ኣሎኹ። ንሱ ርእስኻ ክጭፍልቕ እዩ፡ ንስኻ ድማ ሸዀናኡ ኽትነክስ ኢኻ፡ በሎ።
16ነታ ሰበይቲ ኸኣ፡ መከራኽን ጻዕሪ ጥንስኽን ኣዝየ ኸብዝሖ እየ፡ ደቂ ብጻዕሪ ኽትወልዲ ኢኺ፡ ድሌትኪ ድማ ናብ ሰብኣይኪ ክኸውን እዩ፡ ንሱውን ክመልከኪ እዩ፡ በላ።
17ንኣዳም ከኣ፡ ቃል ሰበይትኻ ስለ ዝሰማዕካ እሞ ካብታ፡ ካብኣ ኣይትብላዕ፡ ኢለ ዝኣዘዝኩኻ ኦም ስለ ዝበላዕካ፡ ምድሪ ብዛዕባኻ ርግምቲ ትኹን። ኵሉ ዘበን ህይወትካ እንጌራኻ ኻብኣ ብጻዕሪ ኽትበልዕ ኢኻ። 18እሾዅን ተዀርባን ተብቁለልካ፡ ብቝሊ መሮር ድማ ኽትበልዕ ኢኻ። 19ናብታ እተፈጠርካላ ምድሪ ኽሳዕ እትምለስ፡ እንጌራ ብረሃጽ ገጽካ ኽትበልዕ ኢኻ። መሬት ኢኻ እሞ፡ ናብ መሬት ድማ ትምለስ፡ በሎ። 20እቲ ሰብኣይ ድማ ንሰበይቱ፡ ኣደ ዅሉ ህያው ኰይና እያ እሞ፡ ሄዋን ኢሉ ሰመያ። 21እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ንኣዳምን ንሰበይቱን ደበሎ ገይሩ ኸደኖም።
22እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ፥ እንሆ፡ ኣዳም ከም ሓደ ኻባና፡ ጽቡቕን ክፉእን ዝፈልጥ ኰይኑ ኣሎ። ሕጂ ኸኣ ኢዱ ኸይዝርግሕ፡ ካብ ኦም ህይወት ወሲዱ ድማ ኸይበልዕ፡ ንዘለኣለም ከኣ ህያው ኰይኑ ኸይነብር፡ ኢሉ፡23ስለዚ ነታ እተፈጥረላ ምድሪ ምእንቲ ኽዓይያ ድማ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ካብ ገነት ኤድን ኣውጽኦ። 24ከምኡ ንኣዳም ኣውጽኦ፡ ንምሕላው መገዲ ኦም ህይወት ከኣ ብሸነኽ ምብራቕ ገነት ኤድን ምስናይ እተምበልብል ሃልሃልታ ሴፍ፡ ኪሩቤል ኣቐመጠ።

   ዘፍጥረት  ምዕራፍ 4            
   1ኣዳም ድማ ንሰበይቱ ሄዋን ፈለጣ፡ እሞ ጠነሰት፡ ንቃየል ከኣ ወለደት፥ ብረድኤት እግዚኣብሄር ሰብ ተቐበልኩ፡ ድማ በለት። 2ደጊማውን ንሓው ኣቤል ወለደት። ኣቤል ድማ ጓሳ ኣባጊዕ፡ ቃየል ከኣ ዓያዪ ምድሪ ዀነ። 3ድሕሪ ገለ ወርሓት ድማ ዀነ፡ ቃየል ካብ ፍረ ምድሪ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ኣምጽአ። 4ኣቤል ከኣ ካብ ብዅራት ኣባጊዑን ካብ ስብሐንን ኣምጽአ። እግዚኣብሄር ድማ ናብ ኣቤልን ናብ መስዋእቱን ባህ ኢልዎ ረኣየ። 5ናብ ቃየልን ናብ መስዋእቱን ግና ባህ ኢልዎ ኣይረኣየን። ቃየል ከኣ ኣዝዩ ዀረየ፡ ገጹ ድማ ጸለመ። 6እግዚኣብሄር ከኣ ንቃየል፥ ስለምንታይ ኰረኻ፧ ስለምንታይከ ገጽካ ጸለመ፧ 7ጽቡቕ እንተ ትገብርሲ፡ ገጽካዶ ትኽ ኣይምበለን፡ ጽቡቕ እንተ ዘይገበርካ ድማ፡ ሓጢኣት ኣብ ኣፍደገ ትቃጸወካ ኣላ፡ ሃረርታኣውን ናባኻ እዩ፡ ግናኸ ንስኻ ክትገዝኣ ይግባኣካ፡ በሎ። 8ቃየል ድማ ንሓዉ ኣቤል ተዛረቦ። ኰነ ኸኣ፡ ኣብ መሮር ከለዉ፡ ቃየል ንሓዉ ኣቤል ተንስኦ፡ ቀተሎ ድማ።
9እግዚኣብሄር ከኣ ንቃየል፥ ኣቤል ሓውካ፡ ኣበይ ኣሎ፧ በሎ። ንሱ ድማ፥ ኣይፈልጥን፡ ኣነዶ ሓላው ሓወይ እየ፧ በለ። 10ንሱ ኸኣ፥ እንታይ ጌርካ ኢኻ፧ ድምጺ ደም ሓውካ ኻብ ምድሪ ናባይ ይጠርዕ ኣሎ። 11ሕጂ ድማ ንስኻ ካብዛ ንደም ሓውካ ኻብ ኢድካ ኽትቅበል ኣፋ ዝኸፈተት ምድሪ ርጉም ኩን፡ 12ንምድሪ ምስ እትሓርሳ መሊሳ ሓይላ ኣይክትህበካን እያ፡ ኣብ ምድሪ ኰብላልን ቀባሕባሓይን ኩን፡ በለ። 13ቃየል ከኣ ንእግዚኣብሄር በሎ፥ በደለይ ክጾሮ ዘይክኣለኒ ዓብዪ እዩ። 14እንሆ፡ ሎሚ ኻብ ገጽ ምድሪ ትሰጐኒ ኣሎኻ፡ ኣነ ድማ ኻብ ገጽካ ኽሕባእ እየ፡ ኣብ ምድሪ ኰብላልን ቀባሕባሓይን ክኸውን እየ። ክኸውን ከኣ እዩ፡ ዝረኽበኒ ዘበለ ዅሉ ክቐትለኒ እዩ። 15እግዚኣብሄር ድማ፥ እምበኣር ንቃየል ዝቐተለ ዅሉ ሾብዓተ ካዕበት ሕነ ኽፍደዮ እዩ፡ በሎ። ዝረኸቦ ዅሉ ምእንቲ ኸይቀትሎ ኸኣ፡ እግዚኣብሄር ንቃየል ምልክት ገበረሉ።
16ቃየል ድማ ካብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ወጸ፡ ኣብ ምድሪ ኖድ ከኣ፡ ኣብ ምብራቕ ኤድን ተቐመጠ። 17ቃየል ከኣ ንሰበይቱ ፈለጣ፡ እሞ ጠነሰት፡ ንሄኖክ ድማ ወለደት። ንሱ ኸኣ ከተማ ሰርሐ፡ ስም እታ ኸተማ ድማ ብስም ወዱ ሄኖክ ኣውጽኣላ። 18ንሄኖክ ከኣ ኢራድ ተወልደሉ። ኢራድ ድማ ንሜሁያኤል ወለደ። ሜሁያኤል ከኣ ንሜቱሳኤል ወለደ። ሜቱሳኤል ድማ ንላሜክ ወለደ። 19ላሜክ ክልተ ኣንስቲ ኣእተወ፡ ስም እታ ሓንቲ ዓዳ፡ ስም እታ ኻልኣይቲ ድማ ጺላ ነበረ። 20ዓዳ ንያባል ወለደት። ንሱ ኣቦ እቶም ኣብ ድንኳውንቲ ዝነብሩን ማሎም ዝጓስዩን ኰነ። 21ስም ሓዉ ኸኣ ዮባል እዩ። ንሱ ኸኣ ኣቦ ዅሎም እቶም ወቓዕቲ መሰንቆን በገናን ኰነ። 22ጺላ ድማ ንቱባልቃይን ወለደት። ንሱ ኸኣ ካብ ኣስራዝን ሓጺንን ኵሉ ዓይነት መቕረጺ ይሰርሕ ነበረ። ሓውቲ ቱባልቃይን ድማ ናዕማ እያ። 23ላሜክ ድማ ነንስቱ በለን፥ ዓዳን ጺላን፡ ቃለይ ስምዓ፡ ኣትን ኣንስቲ ላሜክ፡ ናብ ዘረባይ ጽን በላ፡ ስለ ቝስለይ ሰብኣይ፡ ስለ ስምብራተይ ድማ ጐበዝ ቀተልኩ። 24ንቃየል ሾብዓተ ኻዕበት ሕነ እንተ ዝፈድዮስ፡ ንላሜክ ከኣ ሰብዓን ሾብዓተን ካዕበት። 25ኣዳም መሊሱ ንሰበይቱ ፈለጣ። ንሳ ኸኣ ወዲ ወለደት፡ ኣምላኽ ኣብ ክንዲ እቲ ቃየል ዝቐተሎ ኣቤል ካልእ ፍረ ኸርሲ ተኪኡኒ እዩ፡ ኢላ ስሙ ሴት ኣውጽኣትሉ።
26ንሴት ድማ ወዲ ተወልደሉ። ስሙ ኸኣ ሄኖስ ኣውጽኣሉ። ሽዑ ሰብ ብስም እግዚኣብሄር ክምህለሉ ጀመሩ።

   ዘፍጥረት  ምዕራፍ 5            
   1መጽሓፍ ወለዶ ኣዳም እዚ እዩ፥ ኣምላኽ በታ ንሰብ ዝፈጠረላ መዓልቲ ብምስሊ ኣምላኽ ገበሮ። 2ተባዕታይን ኣንስተይትን ገይሩ ፈጠሮም፡ ባረኾም ድማ። በታ እተፈጥሩላ መዓልቲ ኸኣ ስሞም ኣዳም ኢሉ ኣውጽኣሎም።
3ኣዳም ድማ ሚእትን ሰላሳን ዓመት ገበረ፡ ከም መልክዑ ኸኣ ንእኡ ዝመስል ወዲ ወለደ፡ ስሙውን ሴት ኣውጽኣሉ። 4ዕድመ ኣዳም ድሕሪቲ ንሴት ምስ ወለዶ፡ ሾሞንተ ሚእቲ ዓመት ኰነ። ኣወዳትን ኣዋልድን ከኣ ወለደ። 5ኣዳም ዝነበሮ ዅሉ ዕድሜኡ ትሽዓተ ሚእትን ሰላሳን ዓመት ኰነ። ሞተ ኸኣ።
6ሴት ድማ ሚእትን ሓሙሽተን ዓመት ገበረ፡ ንሄኖስ ከኣ ወለደ። 7ሴት ንሄኖስ ምስ ወለደ ድማ፡ ድሕሪኡ ሾሞንተ ሚእትን ሾብዓተን ዓመት ገበረ፡ ኣወዳትን ኣዋልድን ድማ ወለደ። 8ኵሉ ዕድመ ሴት፡ ትሽዓተ ሚእትን ዓሰርተው ክልተን ዓመት ኰነ። ሞተ ኸኣ።
9ሄኖስ ድማ ተስዓ ዓመት ገበረ፡ ንቃይናን ከኣ ወለደ። 10ሄኖስ ድማ ድሕርቲ ንቃይናን ምስ ወለደ፡ ሾሞንተ ሚእትን ዓሰርተው ሓሙሽተን ዓመት ገበረ፡ ኣወዳትን ኣዋልድን ከኣ ወለደ። 11ኵሉ ዕድመ ሄኖስ ትሽዓተ ሚእትን ሓሙሽተን ዓመት ኰነ። ሞተ ድማ።
12ቃይናን ከኣ ሰብዓ ዓመት ገበረ፡ ንመሃላልኤል ድማ ወለደ። 13ቃይናን ንመሃላልኤል ምስ ወለደ ኸኣ፡ ድሕሪኡ ሾሞንተ ሚእትን ኣርብዓን ዓመት ገበረ፡ ኣወዳትን ኣዋልድን ድማ ወለደ። 14ኵሉ ዕድመ ቃይናን ከኣ ትሽዓተ ሚእትን ዓሰርተን ዓመት ኰነ። ሞተ ድማ።
15መሃላልኤል ከኣ ስሳን ሓሙሽተን ዓመት ገበረ፡ ንያሬድ ድማ ወለደ። 16መሃላልኤል ንያሬድ ምስ ወለደ ኸኣ፡ ድሕሪኡ ሾሞንተ ሚእትን ሰላሳን ዓመት ገበረ፡ ኣወዳትን ኣዋልድን ድማ ወለደ። 17ኵሉ ዕድመ መሃላልኤል ከኣ ሾሞንተ ሚእትን ተስዓን ሓሙሽተን ዓመት ኰነ። ሞተ ድማ።
18ያሬድ ከኣ ሚእትን ስሳን ክልተን ዓመት ገበረ፡ ንሄኖክ ድማ ወለደ። 19ያሬድ ንሄኖክ ምስ ወለደ ኸኣ፡ ድሕሪኡ ሾሞንተ ሚእቲ ዓመት ገበረ፡ ኣወዳትን ኣዋልድን ድማ ወለደ። 20ኵሉ ዕድመ ያሬድ ከኣ ትሽዓተ ሚእትን ስሳን ክልተን ዓመት ኰነ። ሞተ ኸኣ።
 21ሄኖክ ድማ ስሳን ሓሙሽተን ዓመት ገበረ፡ ንማቱሳላ ኸኣ ወለደ። 22ሄኖክ ንማቱሳላ ምስ ወለደ ኸኣ፡ ድሕሪኡ ሰለስተ ሚእቲ ዓመት ምስ ኣምላኽ ተማላለሰ፡ ኣወዳትን ኣዋልድን ከኣ ወለደ። 23ኵሉ ዕድመ ሄኖክ ድማ ሰለስተ ሚእትን ስሳን ሓሙሽተን ዓመት ኰነ። 24ሄኖክ ከኣ ምስ ኣምላኽ ተማላለሰ፡ ኣምላኽ ወሲድዎ እዩ እሞ ኣይተራእየን።
25ማቱሳላ ድማ ሚእትን ሰማንያን ሾብዓተን ዓመት ገበረ፡ ንላሜክ ከኣ ወለደ። 26ማቱሳላ ንላሜክ ምስ ወለደ ኸኣ፡ ድሕሪኡ ሾብዓተ ሚእትን ሰማንያን ክልተን ዓመት ገበረ፡ ኣወዳትን ኣዋልድን ከኣ ወለደ። 27ኵሉ ዕድመ ማቱሳላ ኸኣ ትሽዓተ ሚእትን ስሳን ትሽዓተን ዓመት ኰነ። ሞተ ድማ።
28ላሜክ ከኣ ሚእትን ሰማንያን ክልተን ዓመት ገበረ፡ ወዲ ድማ ወለደ። 29ኣብዛ እግዚኣብሄር ዝረገማ ምድሪ ኻብ ዘሎ ዕዮናን ካብ ጻዕሪ ኢድናን እዚኸጸናንዓና እዩ፡ ኢሉ ስሙ ኖህ ኣውጽኣሉ። 30ላሜክ ንኖህ ምስ ወለደ ኸኣ፡ ድሕሪኡ ሓሙሽተ ሚእትን ተስዓን ሓሙሽተን ዓመት ገበረ፡ ኣወዳትን ኣዋልድን ድማ ወለደ። 31ኵሉ ዕድመ ላሜክ ከኣ ሾብዓተ ሚእትን ሰብዓን ሾብዓተን ዓመት ኰነ። ሞተ ድማ።
32ኖህ ከኣ ወዲ ሓሙሽተ ሚእቲ ዓመት ኰነ፡ ኖህ ድማ ንሴምን ንካምን ንያፌትን ወለደ።

   ዘፍጥረት  ምዕራፍ 6            
   1ኰነ ድማ ሰብ ኣብ ልዕሊ ገጽ ምድሪ ክበዝሕ ምስ ጀመረ፡ ኣዋልድ ከኣ ምስ ተወልዳሎም፡ 2እቶም ደቂ ኣምላኽ ድማ ነተን ኣዋልድ ሰብ፡ መልክዐኛታት ከም ዝዀና ምስ ረኣዩ፡ ካባታተን ዘዝሓረይወን ኣንስቲ ወሰዱ። 3እግዚኣብሄር ከኣ፥ ንሱ ስጋ ድማ እዩ፡ መንፈሰይ ንሓዋሩ ምስ ሰብ ኣይጻረርን፡ ስለዚ ዘበኑ ሚእትን ዕስራን ዓመት ይኹን፡ በለ።
4ደቂ ኣምላኽ ናብተን ኣዋልድ ሰብ ምስ ኣተዉ፡ ንሳተን ከኣ ምስ ወለዳሎም፡ በቲ ዘበን እቲ፡ ብድሕሪኡ ድማ፡ ኣብ ምድሪ ንጉዓት ሰባት ነበሩ። እቶም ካብ ጥንቲ ስሙያት ዝነበሩ ጀጋኑ ሰባት እዚኣቶም እዮም።
5እግዚኣብሄር ከኣ፡ ክፍኣት ሰብ ኣብ ምድሪ ኸም ዝበዝሐን ብሓሳባት ልቡ ዝሕልኖ ድማ ወርትግ ክፉእ ጥራይ ከም ዝዀነን ረኣየ። 6እግዚኣብሄር ከኣ ንሰብ ኣብ ምድሪ ብምግባሩ ተጣዕሰ፡ ብልቡ ድማ ጐሃየ። 7እግዚኣብሄር ከኣ፥ ንሰብ ስለ ዝገበርክዎ ተጣዒሰ እየ እሞ፡ ንዝፈጠርክዎ ሰብ፡ ካብ ሰብ ክሳዕ እንስሳ፡ ክሳዕ ለመምታ፡ ክሳዕ ኣዕዋፍ ሰማይ ድማ ካብ ዝባን ምድሪ ኽድምስሶም እየ፡ በለ። 8ኖህ ግና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሞገስ ረኸበ።
9ወለዶ ኖህ እዚ እዩ፥ ኖህ ኣብቶም ወለዶታቱ ጻድቕን እንታ ዘይብሉን ሰብኣይ ነበረ። ኖህ ምስ ኣምላኽ ተማላለሰ። 10ኖህ ድማ ሰለስተ ወዲ፡ ሴምን ካምን ያፌትን፡ ወለደ። 11ምድሪ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተባላሽያ ነበረት፡ ምድሪ ድማ ብዓመጻ መልአት። 12ስጋ ዘበለ ዅሉ መገዱ ኣብ ምድሪ ኣባላሽዩ ነበረ እሞ፡ ኣምላኽ ከኣ ንምድሪ ረኣያ፡ እንሆ ድማ ተባላሽያ ነበረት።
13ኣምላኽ ከኣ ንኖህ በሎ፥ ብሰሮም ምድሪ ዓመጻ መሊኣ እያ እሞ፡ መወዳእታ ዅሉ ስጋ ኣብ ቅድመይ በጽሐ። እንሆ ድማ፡ ኣነ ምስታ ምድሪ ኸጥፍኦም እየ። 14ንኣኻ ኻብ ኦም ጎፌር መርከብ ስራሕ። ነታ መርከብ ክፍልታት ግበረላ፡ ውሽጣን ግዳማን ከኣ ብቕጥራን ለቕልቃ። 15ከምዚ ኸኣ ግበራ፥ ምናሕ እታ መርከብ ሰለስተ ሚእቲ እመት፡ ምግፍሓ ሓምሳ እመት፡ ቍመታ ድማ ሰላሳ እመት ይዅን። 16ነታ መርከብ ኣብ ላዕላያ እመት ዝቝመቱ መስኰት ግበረላ። ኣፍ ደገ እታ መርከብ ድማ ብጎቦኣ ግበሮ። ታሕታይን ካልኣይን ሳልሳይን ደርቢ ግበረላ። 17ምእንቲ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ህያው ትንፋስ ዘለዎ ዅሉ ስጋ ኽጠፍእሲ፡ እንሆ ድማ፡ ኣነ ማይ ኣይሂ ናብ ምድሪ ኸምጽእ እየ እሞ፡ ኣብ ምድሪ ዘሎ ዅሉ ክመውት እዩ። 18ምሳኻ ግና ኪዳነይ ከቕውም እየ፡ ንስኻ፡ ምሳኻ ድማ ደቅኻን ሰበይትኻን ኣንስቲ ደቅኻን፡ ናብ መርከብ ክትኣቱ ኢኻ። 19ምሳኻ ብህይወት ምእንቲ ኽትሕልዎም ድማ፡ ካብ ኵሉ ህያው ካብ ስጋ ዘበለ፡ ከክልተ ኻብ ኩሉ ዓይነት ናብ መርከብ ኣእቱ፡ ተባዕታይን ኣንስተይትን ይኹኑ። 20ንስኻ ብህይወት ምእንቲ ኽትሕልዎምሲ፡ ካብ ኣዕዋፍ በብዓይነተን፡ ካብ እንስሳ በብዓይነቱ ኣብ ምድሪ ለመም ካብ ዝብል በብዓይነቱ ጌርካ፡ ካብ ዝዀነ ዓሌት ከክልተ ናባኻ ይእተዉ። 21ካብ ዝብላዕ ኵሉ ዓይነት ብልዒ ድማ ንኣኻን ንኣታቶምን ቀለብ ክኸውን ኣእቲኻ ኣባኻ ኣክቦ። 22ኖህ ድማ ከምኡ ገበረ። ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ንዅሉ ነገር ከምኡ ገበረ።

   ዘፍጥረት  ምዕራፍ 7            
   1እግዚኣብሄር ድማ ንኖህ በሎ፥ ኣብዛ ወለዶ እዚኣ ኣብ ቅድመይ ጸዲቕካ ረኺበካ እየ እሞ፡ ምስ ብዘላ ቤትካ ናብ መርከብ እቶ። 2-4ድሕሪ ሾብዓተ መዓልቲ ኣነ ኣብ ምድሪ ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ከዝንም እየ፡ ነቲ ዝገበርክዎ ዅሉ ህያው ድማ ካብ ዝባን ምድሪ ኽድምስሶ እየ እሞ፡ ካብ ኵሉ ንጹህ እንስሳ ሸሾብዓተ ተባዕታይን ኣንስተይትን፡ ካብ ኵሉ ዘይንጹህ ኢንስሳ ኸኣ ከክልተ፡ ተባዕታይን ኣንስተይትን፡ ካብ ኣዕዋፍ ሰማይ ድማ፡ ምእንቲ ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ዘርኢ ክዀና ብህይወት ክተርፋ፡ ሸሾብዓተ፡ ተባዕታይን ኣንስተይትን ምሳኻ ውሰድ። 5ኖህ ድማ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ዅሉ ገበረ።
6ኖህ ድማ፡ እቲ ማይ ኣይሂ ኣብ ምድሪ ክኸውን ከሎ፡ ወዲ ሹድሽተ ሚእቲ ዓመት ኰይኑ ነበረ። 7ኖህን ደቁን ሰበይቱን ኣንስቲ ደቁን ከኣ ምስኡ ብዛዕባ ማይ ኣይሂ ናብ መርከብ ኣተዉ። 8ካብ ንጹህ እንስሳን ካብ ዘይንጹህ እንስሳን ካብ ኣዕዋፍን ኣብ ምድሪ ለመም ካብ ዝብል ኵሉን፡ 9ከምቲ ኣምላኽ ንኖህ ዝኣዘዞ፡ ከክልተ፡ ተባዕታይን ኣንስተይትን፡ ናብ ኖህ ናብ መርከብ ኣተዉ። 10ኰነ ኸኣ፡ ድሕሪ እተን ሾብዓተ መዓልቲ ማይ ኣይሂ ኣብ ምድሪ ዀነ።
11ኣብ መበል ሹድሽተ ሚእቲ ዓመቱ ንዕድመ ኖህ፡ ኣብታ ኻልአይቲ ወርሒ፡ ካብታ ወርሒ ድማ ኣብ መበል ዓሰርተው ሾብዓተ መዓልቲ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ናይቲ ዓበይቲ መዓሙቝ ዓይኒ ማያት ተቐደ፡ መሳዅቲ ሰማይ ድማ ተኸፍተ። 12ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ከኣ ኣብ ምድሪ ዘነመ። 13በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ኖህን ደቂ ኖህ ከኣ፡ ሴምን ካምን ያፌትን፡ ሰበይቲ ኖህን ሰለስቲአን ኣንስቲ ደቁ ድማ ምስኦም ናብ መርከብ ኣተዉ። 14ንሳቶምን ኵሉ ኣራዊት በብዓይነቱን ኵሉ እንስሳ በብዓይነቱን ኣብ ምድሪ ለመም ዝብል ኵሉ ለመምታ በብዓይነቱን ኵለን ኣዕዋፍ በብዓይነተን ኵለን ጨራሩን፡ ክንፊ ዘለዎ ዅሉ ድማ ናብ መርከብ ኣተዉ። 15ህያው ትንፋስ ካብ ዘለዎ ዅሉ ስጋ ከክልተ ናብ ኖህ ናብ መርከብ ኣተዉ። 16እቶም ዝኣተዉ ድማ ኸምቲ ኣምላኽ ዝኣዘዞ፡ ካብ ኵሉ ስጋ ተባዕታይን ኣንስተይትን ኣተዉ። እግዚኣብሄር ከኣ ብድሕሪኡ ዓጸዎ።
17ማይ ኣይሂ ድማ ኣርብዓ መዓልቲ ኣብ ምድሪ ዘነመ። እቲ ማይ ከኣ በዝሐ፡ ነታ መርከብ ድማ ኣልዓላ ካብ ምድሪ ኸኣ ንላዕሊ ኽብ በለት። 18እቲ ማይ ድማ በርትዐ፡ ኣብ ምድሪ ኸኣ ኣዝዩ በዝሐ። እታ መርከብ ድማ ኣብ ልዕሊ ማይ ተጽባህልል ነበረት። 19እቲ ማይ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኣዝዩ እናበርትዐ ኸደ፡ ኣብ ትሕቲ ብዘሎ ሰማይ ዝነበረ ዅሉ ነዋሕቲ ኣኽራን ከኣ ተጐልበበ። 20እቲ ማይ ዓሰርተው ሓሙሽተ እመት ንላዕሊ ደየበ፡ እቲ ኣኽራን ከኣ ተጐልበበ። 21ሽዑ ኣብ ምድሪ ዝወሳወስ ስጋ ዘበለ ዅሉ ኣዕዋፍን እንስሳን ኣራዊትን ኣብ ምድሪ ለመም ዝብል ኵሉ ለመምታን ኵሉ ሰብን ሞተ። 22ኣብ ንቑጽ ምድሪ ዝነበረ ዅሉ፡ ኣብ ኣፍንጫኡ ትንፋስ ህያው መንፈስ ዝነበሮ ሞተ። 23ኣብ ልዕሊ ምድሪ ዝነበረ ዅሉ ህያው ጠፍአ፡ ካብ ሰብ ክሳዕ እንስሳን ለመምታን ኣዕዋፍ ሰማይ ካብ ምድሪ ጠፍኡ። ኖህ ጥራይ ምስቶም ምስኡ ኣብ መርከብ ዝነበሩ ተረፈ። 24እቲ ማይ ድማ ኽሳዕ ሚእትን ሓምሳን መዓልቲ ኣብ ምድሪ በርትዐ።

   ዘፍጥረት  ምዕራፍ 8            
   1ኣምላኽ ከኣ ንኖህን ነቶም ምስኡ ኣብ መርከብ ዝነበሩ ዅሎም ኣራዊትን ኵሉ እንስሳን ዘከረ። ኣምላኽ ድማ ኣብ ምድሪ ንፋስ ኣንፈሰ፡ እቲ ማይ ከኣ ጐደለ። 2ናይቲ መዓሙቝ ዓይኒ ማያትን መሳዅቲ ሰማይን ተዓብሰ። ሰርቢውን ካብ ሰማይ ጸሓየ። 3እቲ ማይ ድማ ኻብ ምድሪ እናተመልሰ ኸደ። ኣብ መወዳእታ ሚእትን ሓምሳን መዓልቲ ኸኣ እቲ ማይ ጐደለ። 4ብሳብዓይቲ ወርሒ፡ ካብታ ወርሒ ድማ ኣብ መበል ዓሰርተው ሾብዓተ መዓልቲ፡ እታ መርከብ ኣብ ኣኽራን ኣራራት ዓረፈት። 5እቲ ማይ ከኣ ክሳዕ ዓስረይቲ ወርሒ እናጐደለ ኸደ። ኣብ ዓስረይቲ ወርሒ፡ ካብታ ወርሒ ድማ በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ፡ ርእሲ እቲ ኣኽራን ተራእየ። 6ኰነ ኸኣ፡ ኣብ መወዳእታ ኣርብዓ መዓልቲ ኖህ ነቲ ኣብ መርከብ ዝሰርሖ መስኰት ከፈቶ። 7ኳዅ ድማ ሰደደ፡ ንሱ ከኣ ማይ ካብ ምድሪ ኽሳዕ ዝነጽፍ፡ ንየው ነጀው ይማላለስ ነበረ። 8ድሕርዚ ድማ ማይ ካብ ልዕሊ ገጽ ምድሪ ጐዲሉ እንተ ዀነ ኽርኢ፡ ካብቲ ዘለዎ ርግቢ ሰደደ። 9ኣብ ልዕሊ ገጽ ኵላ ምድሪ ማይ ስለ ዝነበረ ግና፡ እታ ርግቢ እግራ እተዕርፈላ ኣይረኸበትን እሞ፡ ናብኡ ናብ መርከብ ተመልሰቶ። ኢዱ ዘርጊሑ ወሰዳ፡ ናብኡ ኸኣ ናብ መርከብ ኣእተዋ። 10ገና ኻልእ ሾብዓተ መዓልቲ ጸኒሑ ድማ፡ ነታ ርግቢ መሊሱ ኻብ መርከብ ሰደዳ። 11እታ ርግቢ ኣጋ ምሸት ተመልሰቶ፡ እንሆ ኸኣ ልሙዕ ቈጽሊ ኣውልዕ ኣብ ኣፋ ሒዛ ነበረት። ሽዑ ኖህ ማይ ካብ ምድሪ ኸም ዝነጸፈ ፈለጠ። 12ገና ኻልእ ሾብዓተ መዓልቲ ጸኒሑ ድማ ነታ ርግቢ ሰደዳ። ድሕሪ ደጊም ናብኡ ኣይተመልሰትን።
13ኰነ ኸኣ፡ ኣብ መበል ሹድሽተ ሚእትን ሓደን ዓመቱ ንኖህ፡ ኣብ ቀዳመይቲ ወርሒ ካብታ ወርሒ ድማ ኣብ ቀዳመይቲ መዓልቲ፡ እቲ ማይ ካብ ምድሪ ነጸፈ። ሽዑ ኖህ ናሕሲ መርከብ ቀሊዑ ረኣየ፡ እንሆ ኸኣ ገጽ እታ ምድሪ ነቒጻ ነበረት። 14ኣብ ካልኣይቲ ወርሒ፡ ካብታ ወርሒ ድማ ኣብ መበል ዕስራን ሾብዓተን መዓልቲ እታ ምድሪ ነቐጸት።
15ኣምላኽ ድማ ንኖህ ከምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ 16ንስኻን ሰበይትኻን ደቅኻን፡ ኣንስቲ ደቅኻ ኸኣ ምሳኻ፡ ካብ መርከብ ውጹ። 17ምሳኻ ዘሎ ኹሉ ህያው ካብ ስጋ ዘበለ፡ ኣዕዋፍን እንስሳን ኣብ ምድሪ ለመም ዝብል ለመምታን ኣብ ምድሪ ኽስስኑ፡ ምሳኻ ኣውጽኣዮም፡ ኣብ ምድሪ ድማ ይፋረዩን ይባዝሑን። 18ሽዑ ኖህ፡ ደቁን ሰበይቱን ኣንስቲ ደቁን ከኣ ምስኡ ወጹ። 19ኵሉ ኣራዊትን ኵሉ ለመምታን ኵለን ኣዕዋፍን ኣብ ምድሪ ዝዋሳወስ ዘበለ ዅሉን ድማ በብዓሌቶም ካብ መርከብ ወጹ።
20ኖህ ድማ ንእግዚኣብሄር መሰውኢ ሰርሐ፡ ካብ ንጹህ እንስሳ ዘበለን ካብ ኵለን ንጹሃት ኣዕዋፍን ወሲዱ ኸኣ ዝሓርር መስዋእቲ ኣብ መሰውኢ ኣዕረገ። 21እግዚኣብሄር ድማ እዚ ጥዑም መኣዛ ኣጭነወ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ብልቡ፡ ሕሊና ልቢ ሰብ ካብ ንእስነቱ ጀሚሩ ኽፉእ እዩ እሞ፡ ድሕሪ ደጊም ብሰሪ ሰብ ንምድሪ መሊሰ ኣይረግማን። ድሕሪ ደጊምሲ ኸምቲ ዝገበርክዎ፡ ህያው ንዘበለ ዅሉ መሊሰ ኣይክወቅዕን እየ። 22ምድሪ ኽሳዕ ዘላ፡ ዘርእን ዓጺድን፡ ዛሕልን ዋዕን፡ ሓጋይን ክረምትን፡ መዓልትን ለይትን ኣየቋርጽን እዩ፡ በለ።

   ዘፍጥረት  ምዕራፍ 9            
   1ኣምላኽ ንኖህን ንደቁን ባረኾም፡ በሎም ድማ፡ ፍረዩን ተባዝሑን ንምድሪ ኸኣ ምልእዋ። 2ኵሉ ኣራዊት ምድርን ኣዕዋፍ ሰማይን ብኣኻትኩም ይፍራህን ይሰምብድን፡ ምስቲ ኣብ ምድሪ ለመም ዝብል ኵሉን ዓሳታት ባሕሪ ዅሉን ኣብ ኢድኩም ተዋህበ። 3ዝዋሳወስ ዘበለ ዅሉ ህያው መብልዕኩም ይኹን፡ እዚ ዅሉ ኸምቲ ልሙዕ ብቑሊ ሂበኩም ኣሎኹ። 4ግናኸ ስጋ ምስ ነፍሱ፡ እቲ ደሙ፡ ኣይትብልዕዎ። 5እቲ ነፍስኹም ዘለዎ ደምኩምሲ ኣነ ኽደልዮ እየ። ካብ ኢድ ኵሉ ኣራዊት ክደልዮ እየ። ነፍሲ ሰብ ድማ ካብ ኢድ ሰብ፡ ካብ ኢድ ሓዉ፡ ክደልያ እየ። 6ኣምላኽ ንሰብ ብመልክዑ ገይርዎ እዩ እሞ፡ እቲ ደም ሰብ ዘፍስስ፡ ደሙ ብሰብ ክፈስስ እዩ። 7ንሳትኩም ከኣ ፍረዩን ተባዝሑን፡ ኣብ ምድሪ ሰስኑ፡ ኣብኣ ድማ ተባዝሑ።
8ኣምላኽ ከኣ ንኖህ፡ ንደቁ ድማ ምስኡ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦም። 9-10እንሆ፡ ኣነ ኸኣ ምሳኻትኩምን ብድሕሬኹም ድማ ምስ ዘርእኹምን ምስቲ ምሳኻትኩም ዘሎ ዅሉ ህያው ፍጡር፡ ኣዕዋፍ፡ እንስሳ፡ ምሳኻትኩም ዘሎ ዅሉ ኣራዊት ምድሪ ድማ፡ ምስቲ ኻብ መርከብ ዝወጸ ዅሉን ምስ ኵሉ ኣራዊት ምድርን ኪዳነይ አቕውምኣሎኹ። 11ኪዳነይ ከኣ ምሳኻትኩም አቕውምኣሎኹ፡ ድሕሪ ደጊም ስጋ ዘበለ ዅሉ ብማይ ኣይሂ ኣይጠፍእን፡ ንምድሪ ዘጥፍእ ማይ ኣይሂ ድማ መሊሱ ኣይኸውንን። 12ኣምላኽ ከኣ በለ፡ ነቲ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኹምን ኣብ መንጎ እቲ ምሳኻትኩም ዘሎ ዅሉ ህያው ነፍስን ንዘለኣለም ዝገብሮ ኪዳን፡ ምልክቱ እዚ እዩ። 13ቀስተይ ኣብ ደበና አንብርኣሎኹ፡ ንሱ ድማ ነቲ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎ ምድርን ዘሎ ኪዳን ምልክት ክኸውን እዩ። 14ይኸውን ከኣ፡ ደበና ኣብ ልዕሊ ምድሪ ምስ ዘደባኑ፡ ኣብቲ ደበና ድማ ቀስቲ ኽርአ እዩ፡ 15ነቲ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኹምን ኣብ መንጎ እቲ ኣብ ኵሉ ስጋ ዘሎ ዅሉ ህያው ነፍስን ዘሎ ኪዳነይ እዝክር። ደጊምሲ እቲ ንኹሉ ስጋ ዘጥፍእ ማይ ኣይሂ ኣይክኸውንን እዩ። 16እቲ ቐስቲ ድማ ኣብ ደበና ክኸውን እዩ፡ ኣነ ኸኣ ነቲ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ኣብ መንጎ እቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ፡ ኣብ ኵሉ ስጋ ዘሎ ዅሉ ህያው ነፍስን ዘሎ ኪዳን ዘለኣለም ምእንቲ ኽዝክር፡ ክርእዮ እየ። 17ኣምላኽ ድማ ንኖህ፡ ነቲ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎ እቲ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ዘሎ ዅሉ ስጋ ዘቘምክዎ ኪዳን ምልክቱ እዚ እዩ በሎ።
18እቶም ካብ መርከብ ዝወጹ ደቂ ኖህ ሴምን ካምን ያፌትን እዮም። ካም ከኣ ኣቦ ኸነኣን እዩ። 19እዚኣቶም ሰለስቲኦም ደቂ ኖህ እዮም። ካብዚኣቶም ከኣ ሰብ ኣብ ኩላ ምድሪ ተዘርዉ።
20ኖህ ድማ ሓረስታይ ምድሪ ክኸውን ጀመረ፡ ወይኒ ኸኣ ተኸለ። 21ካብ ወይኒ ሰትዩ ድማ ሰኸረ፡ ኣብ ማእከል ድንኳኑ ኸኣ ጥራዩ ዀነ። 22ካም፡ ኣቦ ኸነኣን ከኣ ሕፍረት ኣቦኡ ርእዩ፡ ናብ ግዳም ወጺኡ ንኽልቲኦም ኣሕዋቱ ነገሮም። 23ሴምን ያፌትን ድማ ክዳን ወሲዶም ኣብ መንኩቦም ገይሮም እናኣድሓርሓሩ፡ ሕፍረት ኣቦኦም ከደኑ። ገጾም ንድሕሪት ገይሮም፡ ሕፍረት ኣቦም ኣይረኣዩን። 24ኖህ ከኣ ካብ ስኽራኑ ናብ ልቡ ተመልሰ፡ እቲ ንእሽቶ ወዱ ዝገበሮ ድማ ፈለጠ።
25በለ ኸኣ፡ ከነኣን ርጉም፡ ነሕዋቱ ባርያ ባሮት ይኹን። 26በለ ድማ፡ እግዚኣብሄር፡ ኣምላኽ ሴም፡ ይባረኽ። ከነኣን ድማ ባርያኡ ይኹን። 27ኣምላኽ ንያፌት የስፍሕ። ኣብ ድንኳውንቲ ሴም ከኣ ይንበር። ከነኣን ድማ ባርያኡ ይኹን።
28ኖህ ከኣ ድሕሪ ማይ ኣይሂ ሰለስተ ሚእትን ሓምሳን ዓመት ገበረ። 29ኵሉ ዕድመ ኖህ ትሽዓተ ሚእትን ሓምሳን ዓመት ኰነ። ሞተ ድማ።

   ዘፍጥረት  ምዕራፍ 10            
   1ወለዶ ደቂ ኖህ እዚ እዩ፡ ሴም፡ ካም፡ ያፌት። ንኣታቶም ድማ ድሕሪ ማይ ኣይሂ ደቂ ተወልዱሎም።
2ደቂ ያፌት፡ ጎሜርን ማጎግን ማዳይን ያዋንን ቱባልን ሜሴክን ቲራስን። 3ደቂ ጎሜር ከኣ፡ ኣሽከናዝን ሪፋትን ቶጋርማን። 4ደቂ ያዋን ድማ፡ ኤሊሻን ተርሺሽን ኪቲምን ዶዳኒምን። 5ካብዚኣቶም ደሴታት ህዝብታት በብምድሮም፡ ነፍስ ወከፍ ከም ቋንቋኡ፡ ከከም ዓሌታቶም፡ በብህዝቦም ተፋላለዩ።
6ደቂ ካም ከኣ፥ ኩሽን ሚስራይምን ፋጥን ከነኣንን። 7ደቂ ኩሽ ድማ፥ ሴባን ሓዊላን ሳብታን ራዕማን ሳብተካን። ደቂ ራዕማ ኸኣ፡ ሸባን ዴዳንን። 8ኩሽ ድማ ንኒምሮድ ወለደ። ንሱ ኣብ ምድሪ ጅግና ምዃን ጀመረ። 9ንሱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ጅግና ሃዳኒ ነበረ። ስለዚ ከም ኒምሮድ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ጅግና ሃዳኒ ተባህለ። 10መጀመርታ መንግስቲ ድማ ባቤል ኤረክን ኣካድን ካልነን ኣብ ሃገር ሲንኣር ነበረ። 11ካብታ ሃገር እቲኣ ናብ ኣሶር ወጸ፡ ንነነዌን ንሬሖቦት-ዒርን ከላህን ሰርሐን። 12ኣብ መንጎ ነነዌን ካላህን ከኣ ንሬስን ሰርሐ፡ ንሳ እታ ዓባይ ከተማ እያ። 13-14ሚስራይም ድማ ንሉዲምን ንዓናሚምን ንለሃቢምን ንናፍቱሂምን ንጳትሩሲምን ንካፍቶራውያንን ንካስሉሂምን ወለደ፡ ካብኦም ፍልስጥኤማውያን ወጹ።
15ከነኣን ድማ ንሲዶን፡ በዅሪ ወዱን፡ ንሄትን፡ 16ንይቡሳውያንን ንኣሞራውያንን ንጊርጋሳውያንን፡ 17ንሂዋውያንን ንዓርቂውያንን ንሲኒውያንን፡ 18ንኣርዋደውያንን ንጽማራውያንን ንሓማታውያንን ወለደ። ድሕርዚ ዓሌታት ከነኣን ተዘርወ። 19ዶብ ከነኣናውያን ድማ ካብ ሶዶን በታ ንጌራር እትኣትወላ ኣቢልካ ኽሳዕ ጋዛ፡ በታ ንሶዶምን ንጎሞራን ንኣድማን ንሴቦኢም እትኣትወላ ኣቢልካ ኸኣ ክሳዕ ላሻዕ ነበረ። 20እዚኣቶም፡ በብዓሌቶም፡ በብቛንቋኦም፡ ኣብ ሃሃገሮም፡ ኣብ ሀህዝቦም፡ ደቂ ካም እዮም።
21ንሴም ድማ እቲ ኣቦ ዅሎም ደቂ ዔበር፡ ዓብዪ ሓዉ ንያፌት፡ ደቂ ተወልዱሉ። 22ደቂ ሴም፡ ዔላምን ኣሹርን ኣርፋክሳድን ሉድን ኣራምን። 23ደቂ ኣራም ከኣ፡ ዑጽን ሑልን ጌተርን ማሽን። 24ኣርፋክሳድ ድማ ንሸላሕ ወለደ። ሸላሕ ከኣ ንዔበር ወለደ። 25ንዔበር ድማ ክልተ ወዲ ተወልዱሉ። እቲ ሓደ፡ ብዘበኑ ምድሪ ስለ እተኸፋፈለት፡ ስሙ ፌሌግ ተባህለ። ስም ሓዉ ድማ ዮቅጣን። 26ዮቅጣን ድማ ንኣልሞዳድን ንሼለፍን ንሓጻርማዌትን ንየራሕን፡ 27ንሃደራምን ንኡዛልን ንዲቅላን፡ 28ንዖባል ንኣቢማኤልን ንሼባን፡ 29ንኦፊርን ንሓዊላን ንዮባብን ወለደ። እዚኣቶም ኵሎም ደቂ ዮቅጣን እዮም። 30ምቕማጦም ድማ ካብ ሜሻ በታ ንሴፋር እትኣትወላ፡ እቲ ብሸነኽ ምብራቕ ዘሎ ኸረን ነበረ። 31እዚኣቶም፡ በብዓሌቶም፡ በብቛንቋኦም፡ ኣብ ሃሃገሮም፡ በብህዝቦም፡ ደቂ ሴም እዮም።
32እዚኣቶም በብወለዶኦም፡ ኣብ ሀህዝቦም፡ ዓሌታት ደቂ ኖህ እዮም። ካብዚኣቶም ድማ ድሕሪ ማይ ኣይሂ ህዝብታት ኣብ ምድሪ ተዘርዉ።

   ዘፍጥረት  ምዕራፍ 11            
   1ምድሪ ብዘላ ብሓደ ቛንቋን ብሓደ ንግግርን ነበረት። 2ኰነ ድማ፡ ንምብራቕ ኣቢሎም ምስ ተጓዕዙ፡ ኣብ ምድሪ ሲነኣር ጐልጐል ረኸቡ፡ ኣብኡ ድማ ተቐመጡ። 3ንሓድሕዶም ድማ፡ ክላ ግዳ፡ ጡብ ንስራሕ እሞ ብሓዊ ንድፈኖ፡ ተባሃሃሉ፡ እሞ ጡብ ኣብ ክንዲ እምኒ፡ ጸብሪ ኸኣ ኣብ ክንዲ ኖራ ዀነሎም። 4ሽዑ ድማ፡ ክላ ግዳ፡ ኣብ ልዕሊ ገጽ ኵላ ምድሪ ምእንቲ ፋሕ ከይንብልሲ፡ ከተማን ርእሱ ሰማይ ዝጥንቍር ግምብን ንስራሕ፡ ስምና ኸኣ ነጸውዕ፡ በሉ። 5እግዚኣብሄር ከኣ ነቲ ደቂ ሰብ ዝሰርሕዎ ዝነበሩ ኸተማን ግምብን ክርኢ ወረደ። 6እግዚኣብሄር ድማ፡ እንሆ፡ ኵላቶም ሓደ ዝዘረባኦም ሓደ ህዝቢ እዮም። መጀመርታ ግብሮም ከኣ እዚ እዩ። ሕጂ ድማ ክገብርዎ ኢሎም ዝህቅንዎ ዘበለ ዝኽልክሎም የልቦን። 7እምበኣር ማንም ንዘረባ ብጻዩ ምእንቲ ኸይሰምዕሲ፡ ንዑ ንውረድ፡ ኣብኡ ኸኣ ዘረባኦም ንደባልቕ፡ በለ። 8እግዚኣብሄር ድማ ካብኡ ናብ ልዕሊ ገጽ ኵላ ምድሪ ፋሕ ኣበሎም፡ ምስራሕ እታ ኸተማ ኸኣ ገደፉ። 9እግዚኣብሄር ኣብኣ ቛንቋ ዅላ ምድሪ ፋሕፋሕ ስለ ዘበለ፡ ስም እታ ኸተማ ባቤል ተባህለ፡ ካብኣ ኸኣ እግዚኣብሄር ናብ ልዕሊ ገጽ ኵላ ምድሪ በተኖም።
10ወለዶ ሴም እዚ እዩ፡ ሴም ወዲ ሚእቲ ዓመት ኰነ፡ ክልተ ዓመት ድሕሪ ማይ ኣይሂ ኸኣ ንኣርፋክሳድ ወለደ። 11ሴም ድማ ድሕርቲ ንኣርፋክሳድ ምስ ወለደ፡ ሓሙሽተ ሚእቲ ዓመት ገበረ፡ ኣወዳትን ኣዋልድን ከኣ ወለደ። 12ኣርፋክሳድ ድማ ሰላሳን ሓሙሽተን ዓመት ገበረ፡ ንሻላሕ ከኣ ወለደ። 13ኣርፋክሳድውን ንሸላሕ ምስ ወለደ፡ ድሕሪኡ ኣርባዕተ ሚእትን ሰለስተን ዓመት ገበረ፡ ኣወዳትን ኣዋልድን ድማ ወለደ። 14ሸላሕ ከኣ ሰላሳ ዓመት ገበረ፡ ንዔበር ወለደ። 15ሸላሕ ንዔበር ምስ ወለደ ድማ፡ ድሕሪኡ፡ ኣርባዕተ ሚእትን ሰለስተን ዓመት ገበረ፡ ኣወዳትን ኣዋልድን ከኣ ወለደ። 16ዔበር ድማ ሰላሳን ኣርባዕተን ዓመት ገበረ፡ ንፌለግ ከኣ ወለደ። 17ዔበር ንፌሌግ ምስ ወለደ ኸኣ፡ ድሕሪኡ ኣርባዕተ ሚእትን ሰላሳን ዓመት ገበረ፡ ኣወዳትን ኣዋልድን ድማ ወለደ። 18ፌሌግ ከኣ ሰላሳ ዓመት ገበረ፡ ንረጉ ወለደ። 19ፌሌግ ንረጉ ምስ ወለደ ድማ፡ ድሕሪኡ ክልተ ሚእትን ትሽዓተን ዓመት ገበረ፡ ኣወዳትን ኣዋልድን ከኣ ወለደ። 20ረጉ ድማ ሰላሳን ክልተን ዓመት ገበረ፡ ንሴሩግ ከኣ ወለደ። 21ረጉ ንሴሩግ ምስ ወለደ ድማ፡ ድሕሪኡ ክልተ ሚእትን ሾብዓተን ዓመት ገበረ፡ ኣወዳትን ኣዋልድን ከኣ ወለደ። 22ሴሩግ ድማ ሰላሳ ዓመት ገበረ፡ ንናሆር ከኣ ወለደ። 23ሴሩግ ንናሆር ምስ ወለደ ኸኣ፡ ድሕሪኡ ክልተ ምእቲ ዓመት ገበረ፡ ኣወዳትን ኣዋልድን ከኣ ወለደ። 24ናሆር ድማ ዕስራን ትሽዓተን ዓመት ገበረ፡ ንታራ ኸኣ ወለደ። 25ናሆር ንታራ ምስ ወለደ ድማ፡ ድሕሪኡ ሚእትን ዓሰርተው ትሽዓተን ዓመት ገበረ፡ ኣወዳትን ኣዋልድን ከኣ ወለደ። 26ታራ ድማ ሰብዓ ዓመት ገበረ፡ ንኣብራምን ንናሆርን ንሃራን ወለደ። 27ወለዶ ታራ ኸኣ እዚ እዩ፡ ታራ ንኣብራምን ንናሆርን ንሃራንን ወለደ። ሃራን ድማ ንሎጥ ወለደ። 28ሃራን ከኣ ኣብ ኡር ናይ ከለዳውያን ኣብታ እተወልደላ ምድሪ ኣብ ቅድሚ ኣቦኡ ታራ ሞተ። 29ኣብራምን ናሆርን ድማ ኣንስቲ ኣእተዉ። ስም ሰበይቲ ኣብራም ሳራይ እዩ፡ ስም ሰበይቲ ናሆር ድማ ሚልካ፡ ጓል ሃራን፡ ኣቦ ሚልካን ኣቦ ዪስካን እዩ። 30ሳራይ ከኣ መኻን ነበረት እሞ ውሉድ ኣይነበራን። 31ታራ ድማ ንኣብራም ወዱን፡ ንሎጥ ወዲ ሃራን ወዲ ወዱን፡ ንሳራይ ከኣ ሰበይቲ ወዱ፡ ሰበይቲ ኣብራም ወዱ ወሰደ፡ ካብ ኡር ናይ ከለዳውያን ናብ ምድሪ ከነኣን ክኸዱ ብሓደ ወጹ። ናብ ካራን ድማ መጹ፡ ኣብኣ ኸኣ ተቐመጡ። 32ዕድመ ታራ ድማ ክልተ ሚእትን ሓሙሽተን ዓመት ኰነ። ታራ ኸኣ ኣብ ካራን ሞተ።

   ዘፍጥረት  ምዕራፍ 12            
   1እግዚኣብሄር ድማ ንኣብራም በሎ፡ ካብ ምድርኻን ካብ ኣዝማድካን ካብ እንዳ ኣቦኻን ኣነ ናብ ዘርእየካ ምድሪ ኣቢልካ ውጻእ። 2ንዓብዪ ህዝቢ ኽገብረካን ክባርኸካን ከኣ እየ፡ ንስምካውን ከዕብዮ እየ፡ ንበረኸት ድማ ክትከውን ኢኻ። 3ንዝባርኹኻ ክባርኾም፡ ንዝረግመካ ድማ ክረግሞ እየ። ዓሌታት ኵላ ምድሪ ድማ ብኣኻ ክባረኹ እዮም። 4ኣብራም ከኣ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ኸደ፡ ሎጥ ድማ ምስኡ ኸደ። ኣብራም ካብ ካራን ክወጽእ ከሎ ኸኣ ወዲ ሰብዓን ሓሙሽተን ዓመት ነበረ። 5ኣብራም ድማ ንሳራይ ሰበይቱን ንሎጥ ወዲ ሓዉን፡ ነቲ ዘጥረይዎ ዅሉ ጥሪቶምን ነቶም ኣብ ካራን ዘጥረይዎም ነፍሳትን ወሲዱ፡ ንምድሪ ኸነኣን ክኸዱ ወጹ፡ ናብ ምድሪ ኸነኣን ከኣ መጹ።
6ኣብራም ድማ በታ ምድሪ ኽሳዕ ቦታ ሴኬም ክሳዕ ድዋታት ሞሬ ሓለፈ። በቲ ዘበንቲ ድማ ከነኣናውያን ኣብታ ምድሪ እቲኣ ነበሩ። 7እግዚኣብሄር ድማ ንኣብራም ተራእዮ፡ እዛ ምድሪ እዚኣ ንዘርእኻ ክህቦ እየ፡ ከኣ በሎ። ኣብኡውን ነቲ እተራእዮ እግዚኣብሄር መሰውኢ ሰርሓሉ። 8ካብኡ ናብቲ ኣብ ምብራቕ ቤትኤል ዘሎ ኸረን ተጓዒዙ ድማ፡ ኣብኡ ድንኳኑ ተኸለ፡ እሞ ቤትኤል ብሸነኽ ምዕራቡ፡ ዓይ ከኣ ብምብራቑ ዀና። ኣብኡ ኸኣ ንእግዚኣብሄር መሰውኢ ሰርሐ፡ ብስም እግዚኣብሄር ተማህለለ። 9ኣብራም ድማ ተላዒሉ እናገዓዘ ናብ ደቡብ ኣቢሉ ኸደ።
10ኣብታ ሃገር ከኣ ጥሜት ኰነ። ኣብታ ሃገር ጥሜት ስለ ዝበርትዐ ድማ፡ ኣብራም ብስደት፡ ኣብኣ ክቕመጥ፡ ናብ ግብጺ ወረደ። 11ኰነ ኸኣ፡ ናብ ግብጺ ኽኣቱ ምስ ቀረበ፡ ንሰበይቱ ሳራይ፡ እንሆ፡ መልክዐኛ ሰበይቲ ምዃንኪ ፈሊጠ ኣሎኹ እሞ፡ 12ክኸውን ድማ እዩ፡ ግብጻውያን ምስ ዝርእዩኺ፡ ሰበይቱ እያ ኽብሉ እዮም፡ ንኣይ ቀቲሎም ንኣኺ ብህይወት ይሓድጉኺ። 13እምበኣር በጃኺ፡ ብሳላኺ ምእንቲ ንኣይ ክጥዕም፡ ነፍሰይ ድማ ብኣኺ ክትድሕንሲ፡ ሓብቱ እየ ደኣ በሊ፡ በላ። 14ኰነ ኸኣ፡ ኣብራም ኣብ ግብጺ ምስ ኣተወ፡ ግብጻውያን እታ ሰበይቲ ብዙሕ መልክዐኛ ምዃና ረኣዩ። 15እቶም ሹማምቲ ፈርኦን ድማ ረኣይዋ፡ ኣብ ቅድሚ ፈርኦን ከኣ ነኣድዋ። ነታ ሰበይቲ ውን ናብ ቤት ፈርኦን ወሰድዋ። 16ንኣብራም ድማ ምእንትኣ ጽቡቕ ገበረሉ፡ ኣባጊዕን ኣብዑርን ኣውዳልን ገላዉን ኣግራድን ኣንስትዮ ኣእዱግን ኣግማልን ነበርዎ። 17እግዚኣብሄር ግና ብምኽንያት ሳራይ ሰበይቲ ኣብራም፡ ንፈርኦንን ንቤቱን ብርቱዕ ቅጽዓት ቀጽዖ። 18ፈርኦን ድማ ንኣብራም ናብኡ ጸዊዑ፥ እንታይ እዩ እዚ ዝገበርካኒ፧ ስለምንታይከ ኢኻ ሰበይትኻ ምዃና ዘየፍለጥካኒ፧ 19ስለምንታይሲ ሓብተይ እያ፡ በልካ፧ ሰበይተይ ክትከውን ምወሰድክዋ ነይረ። ሕጂ ኸኣ እንሀትልካ፡ ሰበይትኻ ሒዝካ ኺድ፡ በሎ። 20ፈርኦን ድማ ብዛዕባኡ ንሰቡ፡ ንእኡን ንሰበይቱን ንዘለዎ ዅሉን ከሰንይዎም፡ ኣዘዘ።

   ዘፍጥረት  ምዕራፍ 13            
   1ኣብራም ከኣ፡ ንሱን ሰበይቱን ምስ ዘለዎ ዅሉን፡ ሎጥ ድማ ምስኡ፡ ካብ ግብጺ ናብ ደቡብ ኣቢሉ ደየበ። 2ኣብራም ከኣ ብኸብትን ብብሩርን ብወርቅን ብዙሕ ሃብቲሙ ነበረ። 3-4ካብ ደቡብ እናተጓዕዘ ድማ ክሳዕ ቤትኤል፡ ናብታ ቕድም ኣብ መንጎ ቤትኤልን ዓይን ድንኳኑ ተኺሉላ ዝነበረ ቦታ፡ ናብታ ቕድም መሰውኢ ገይሩላ ዝነበረ ቦታ ኸደ። ኣብኣ ድማ ኣብራም ብስም እግዚኣብሄር ተማህለለ።
5እቲ ምስ ኣብራም ዝኸደ ሎጥ ድማ ኣባጊዕን ኣብዑርን ድንኳውንትን ነበሮ። 6እታ ምድሪ ኸኣ ብሓደ ኽነብሩ ኽትጸሮም ኣይከኣለትን። ጥሪቶም ብዙሕ ነበረ እሞ፡ ብሓደ ኽነብሩ ኣይከኣሉን። 7ኣብ መንጎ ጓሶት ከብቲ ኣብራምን ጓሶት ከብቲ ሎጥን ከኣ ባእሲ ዀነ። በቲ ዘበን እቲ ድማ ከነኣናውያንን ፈረዛውያንን ኣብታ ምድሪ ይቕመጡ ነበሩ። 8ኣብራም ከኣ ንሎጥ፡ ንሕና ኣሕዋት ኢና እሞ፡ በጃኻ፡ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን፡ ኣብ መንጎ ጓሶተይን ጓሶትካን ከኣ ባእሲ ኣይኹን። 9ኵላ እዛ ምድሪዶ ኣብ ቅድሜኻ ኣየላን፧ ሕድርኻ፡ ካባይ ተፈለ። ናብ ጸጋም እንተ ኣበልካ፡ ኣነ ድማ ናብ የማን አብል፡ ናብ የማን እንተ ኣበልካ ኸኣ፡ ኣነ ድማ ናብ ጸጋም አብል፡ በሎ። 10ሎጥ ከኣ ዓይኑ ቋሕ ኣቢሉ፡ ብዘሎ እቲ ጐልጐል ዮርዳኖስ ኵሉ ማይ መሊእዎ ኸም ዘሎ ረኣየ። እግዚኣብሄር ንሶዶምን ጎሞራን ከየጥፍአን ከሎ፡ እቲ ንዞዓር እትኣትወሉ ኸም ገነት እግዚኣብሄር፡ ከም ምድሪ ግብጺ ነበረ። 11ሽዑ ሎጥ ንዅሉ ጐልጐል ዮርዳኖስ ሓረየ። ሎጥ ከኣ ናብ ምብራቕ ኣቢሉ ተጓዕዘ እሞ ንሓድሕዶም ተፋላለዩ። 12ኣብራም ኣብ ምድሪ ኸነኣን ተቐመጠ። ሎጥ ድማ ኣብተን ኣብቲ ጐልጐል ዘለዋ ኸተማታት ተቐመጠ፡ ድንኳኑ ኸኣ ኽሳዕ ሶዶም ተኸለ። 13ሰብ ሶዶም ግና ሕሱማት፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከኣ ኣዝዮም ሓጥኣን ነበሩ።
14ሎጥ ካብኡ ምስ ተፈልየ ድማ፡ እግዚኣብሄር ንኣብራም፡ ዓይንኻ ቋሕ ኣብል እሞ ካብዛ ዘሎኻያ ቦታ ንሰሜንን ንደቡብን ንምብራቕን ንምዕራብን ኣቢልካ ጠምት። 15እዛ ንስኻ እትርእያ ዘሎኻ ኵላ ምድሪ ንኣኻን ንዘርእኻን ንዘለኣለም ክህበካ እየ። 16ንዘርእኻ ድማ ከም ሓመድ ምድሪ ኽገብሮ እየ። ሰብ ሓመድ ምድሪ ክቘጽርዝኽእል እንተ ዀይኑ፡ ዘርእኻ ከኣ ይቝጸር። 17ንኣኻ ክህበካ እየ እሞ፡ ተንስእ፡ ነዛ ምድሪ ብምንዋሓን ብምግፋሓን ኪድ፡ በሎ። 18ኣብራም ድማ ድንኳኑ ኣልዓለ፡ ናብቲ ኣብ ኬብሮን ዘሎ ድዋታት መምሬ መጺኡ ኸኣ ተቐመጠ፡ ኣብኡ ድማ ንእግዚኣብሄር መሰውኢ ሰርሐ።

   ዘፍጥረት  ምዕራፍ 14            
   1ኰነ ድማ ብዘበን ኣምራፌል ንጉስ ሲነኣር፡ ኣርዮክ ንጉስ ኤላሳር፡ ክዳርላኦመር ንጉስ ዔላም፡ ቲደዓል ድማ ንጉስ ጎይም፡ 2ንሳቶም ምስ ቤራዕ ንጉስ ሶዶምን ምስ ቢርሻዕ ንጉስ ጎሞራን፡ ሺንኣብ ንጉስ ኣድማን፡ ሼምኤበር ንጉስ ጸቦኢምን ንጉስ ቤላዕን፡ ንሳ ኸኣ ዞዓር፡ ውግእ ኣልዓሉ። 3እዚኣቶም ኵሎም ሓቢሮም ናብ ለሰ ሲዲም፡ ንሱ ኸኣ ባሕሪ ጨው፡ ተኣከቡ። 4ንክዳርላኦመር ዓሰርተው ክልተ ዓመት ተገዚኦምሉ ነበሩ። ኣብ መበል ዓሰርተው ሰለስተ ዓመት ከኣ ዓለዉ። 5ኣብ መበል ዓሰርተው ኣርባዕተ ዓመት ድማ ክዳርላኦመርን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ነገስታትን መጹ። ንራፋውያን ከኣ ኣብ ዓስጣሮት-ቀርናይም፡ ንዙዛውያን ድማ ኣብ ሃም፡ ንኤማውያን ከኣ ኣብ ጐልጐል ቂርያታይም፡ 6ንሆራውያን ድማ ኣብ ሰዒር፡ ኣብ ከረኖም ክሳዕ እታ ኣብ ጥቓ በረኻ ዘላ ኤል-ጳራን ወቕዕዎም። 7ተመሊሶም ድማ ናብ ዔን-ምሽጳጥ፡ ንሳውን ቃዴስ፡ መጹ። ንዅላ ምድሪ ኣማሌቃውያን ከኣ ነቶም ኣብ ሓጻ ጾን-ታማር ዝነበሩ ኣሞራውያን ድማ ወቕዕዎም። 8-9ሽዑ ንጉስ ሶዶምን ንጉስ ጎሞራን ንጉስ ኣድማን ንጉስ ጸቦይምን ንጉስ ቤላዕን፡ ንሳ ዞዓር፡ ወጺኦም ምስ እቲኣቶም፡ ምስ ክዳርላኦመርን ንጉስ ዔላምን፡ ቲደዓል ንጉስ ጎይምን፡ ኣምራፌል ንጉስ ሲነኣርን ኣርዮክ ንጉስ ኤላሳርን፡ ኣርባዕተ ነገስታት ምስቶም ሓሙሽተ ኽዋግኡ ኣብ ለሰ ሲዲም ተሰለፉ። 10እቲ ለሰ ሲዲም ድማ ጐዳጕዲ ቕጥራን መሊኡ ነበረ። ነገስታት ሶዶምን ጎሞራን ከኣ ሃዲሞም ኣብኡ ወደቑ። እቶም ዝተረፉ ድማ ናብ ከረን ሃደሙ። 11እቲኣቶም ከኣ ናይ ሶዶምን ጎሞራን ኵሉ ገንዘብን ኵሉ ዝብላዕን ወሰዱ እሞ ኸዱ።
12ሎጥ፡ ወዲ ሓዉ ንኣብራም ድማ፡ ንሱ ኣብ ሶዶም ይነብር ነበረ እሞ፡ ምስናይ ገንዘቡ ሒዞምዎ ኸዱ። 13ሓደ ዘምለጠ ኸኣ ናብ ኣብራም፡ እቲ እብራዊ፡ መጺኡ እዚ ነገሮ። ንሱ ድማ ኣብ ድዋታት መምሬ፡ እቲ ኣሞራዊ፡ ሓው ኤሽኮልን ሓው ዓኔርን፡ ይቕመጥ ነበረ። ንሳቶም ከኣ ምስ ኣብራም ኪዳን ተኣታትዮም ነበሩ። 14ኣብራም ድማ ሓዉ ኸም እተማረኸ ምስ ሰምዐ፡ ሰለስተ ሚእትን ዓሰርተው ሾሞንተን ኣብ ቤቱ እተወልዱ ፍቱናት ሰብ ኣዕጢቑ ክሳዕ ዳን ደድሕሪኦም ሰዓበ። 15ንሱን ግዙኣቱን ተመቒሎም ከኣ፡ ብለይቲ ወቕዕዎም፡ ክሳዕ ሆባ፡ ጸጋም ደማስቆ ድማ ሰጐጕዎም። 16ኵሉ ገንዘብ ከኣ ኣምለሰ። ንሎጥ ሓዉን ገንዘቡን ከምኡ ኸኣ ነተን ኣንስትን ነቲ ህዝብን ኣምለሰ።
17ንክዳርላኦመርን ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ነገስታትን ስዒሩ ኽምለስ ከሎ፡ ንጉስ ሶዶም ክቕበሎ ናብ ለሰ ሻዌ፡ ንሱ ኸኣ ለሰ ንጉስ፡ ወጸ። 18መልከጼዴቅ፡ ንጉስ ሳሌም ድማ፡ ንሱ ኸኣ ካህን ልዑል ኣምላኽ፡ እንጌራን ወይንን ኣምጽአ። 19ንሱ ድማ፡ ኣብራም በቲ ልዑል ኣምላኽ፡ ጐይታ ሰማይን ምድርን፡ ብሩኽ ይኹን፡ 20እቲ ንጸላእትኻ ኣብ ኢድካ ኣሕሊፉ ዝሃበካ ልዑል ኣምላኽ ከኣ ብሩኽ ይኹን፡ ኢሉ ባረኾ። ኣብራም ድማ ካብ ኵሉ ዕሽር ሃቦ። 21ንጉስ ሶዶም ከኣ ንኣብራም፡ እቶም ሰባት ሃበኒ፡ እቲ ገንዘብ ድማ ንኣኻ ውሰዶ፡ በሎ። 22ኣብራም ግና ንንጉስ ሶዶም፡ ኢደይ ናብ እግዚኣብሄር፡ ልዑል ኣምላኽ፡ ጐይታ ሰማይን ምድርን፡ ኣልዓልኩ፡ 23-24ንኣብራም ኣነ ኣሀብተምክዎ ኸይትብልሲ፡ ብጀካቲ እቶም ኣጕባዝ ዝበልዕዎ፡ ፈትሊ ዀነ፡ ስራኽ ሳእኒ ዀነ፡ ካብ ናትካ ዘበለ ገለኳ ኣይወስድን፡ ግደ እቶም ምሳይ ዝኸዱ ሰባት ድማ፡ ኣኔርን ኤሽኮልን መምሬን፡ ንሳቶም ግዲኦም ይውሰዱ፡ በሎ።

   ዘፍጥረት  ምዕራፍ 15               
   1ድሕርዚ ነገርዚ ቓል እግዚኣብሄር ብራእይ ከምዚ ኢሉ ናብ ኣብራም መጸ፡ ኣብራም፡ ኣይትፍራህ፡ ዋልታኻ ኣነ እየ፡ ዓስብኻ ኣዝዩ ኽበዝሕ እዩ። 2ኣብራም ከኣ፡ ዎ እግዚኣብሄር ጐይታይ፡ ኣነ ውሉድ ዘይብለይ እኸይድ ኣሎኹ፡ ወራስ ቤተይ ዝኸውን ድማ ንሱ ኣልኣዛር፡ በዓል ደማስቆ፡ እዩ፡ እንታይሞ ኽትህበኒ ኢኻ፧በለ። 3ኣብራም ከኣ፡ ገለ ዘርኢ ኣይሃብካንን፡ እንሆ ድማ ሓደ ኣብ ቤተይ እተወልደ ኽወርሰኒ እዩ፡ በለ። 4እንሆ ኸኣ ቃል እግዚኣብሄር ከምዚ ኢሉ ናብኡ መጸ፡ ኣይፋሉን፡ ካብ ከስዐኻ ዝወጸ እዩ ዝወርሰካ እምበር፡ እዝስ ኣይወርሰካን እዩ። 5ንግዳም ኣውጺኡ ድማ፡ ንሰማይ ጠምት፡ ምቝጻሮም እትኽእል እንተዄንካ፡ ከዋኽብቲ ቝጸር፡ በሎ። ዘርእኻውን ከምኡ ክኸውን እዩ፡ በሎ። 6ብእግዚኣብሄር ከኣ ኣመነ፡ ንሱ ድማ ንጽድቂ ቘጸረሉ።
7ድማ፡ እዛ ምድሪ እዚኣ ንርስቲ ኽህበካ ኢለ ኻብ ኡር ከለዳውያን ዘውጻእኩኻ ኣነ እግዚኣብሄር እየ፡ በሎ። 8ንሱ ኸኣ፡ ኣታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ኣነ ነዚኣ ኸም ዝርስተያ ብምንታይ ክፈልጥ እየ፧ በሎ። 9ንሱ ድማ፡ ሰለስተ ዓመት ዝገበረት ኣርሕን ሰለስተ ዓመት ዝገበረት ጤልን ሰለስተ ዓመት ዝገበረ ድዑልን ምስ እዚ ኸኣ ባሬቶን ርግብን ኣምጽኣለይ፡ በሎ። 10ነዚ ዅሉ ኣምጺኡ ድማ ኣብ ፈፍርቂ ቘረጾ፡ ነቲ ፈፍርቂ ኸኣ ንሓድሕዱ ኣመናጺሩ ኣቐመጦ፡ ነተን ኣዕዋፍ ግና ኣይቈረጸንን። 11ናብቲ ስጋ ድማ ኣሞራታት ወረዱ፡ ኣብራም ግና ይሰጎም ነበረ። 12ጸሓይ ክትዓርብ ከላ ድማ ንኣብራም ከቢድ ድቃስ ወደቖ። እንሆ ኸኣ ናይ ብርቱዕ ጸልማት ስምባድ ወደቖ። 13ንኣብራም ድማ በሎ፡ ንዘርእኻ ኣብ ዘይምድሮም ስደተኛታት ኰይኖም ከም ዝገዝእዎም፡ ኣርባዕተ ሚእቲ ዓመት ድማ ከም ዘጨንቕዎም፡ ኣርጊጽካ ፍለጥ። 14ነቲ ዝግዝእዎ ህዝቢ ድማ ኣነ ክፈርዶ እየ። ድሕርቲ ንሳቶም ብዙሕ ገንዘብ ሒዞም ክወጹ እዮም። 15ንስኻ ግና ብሰላም ናብ ኣቦታትካ ኽትከይድ ኢኻ፡ ብጽቡቕ እርጋን ድማ ክትቅበር ኢኻ። 16ዓመጽ ኣሞራውያን ገና ኽሳዕ ሕጂ ኣይመልአን እሞ፡ ኣብ ራብዓይ ወለዶ ናብዚኽምለሱ እዮም።
17ኰነ ድማ፡ ጸሓይ ምስ ዓረበት፡ ግብ ዝበለ ጸልማት ከኣ ምስ ኰነ፡ እንሆ ድማ ዝተክኽ እቶንን ሃልሃልታ ሓውን ብመንጎ እቲ ቘረርጽ ሓለፈ። 18በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ እግዚኣብሄር ምስ ኣብራም ከምዚ ኢሉ ኪዳን ኣተወ፡ እዛ ምድሪ እዚኣ ኻብ ርባ ግብጺ ኽሳዕ እቲ ዓብዪ ርባ፡ እቲ ርባ ኤፍራጥስ፡ 19ምድሪ ቄኔውያንን ቄኔዛውያንን ቃድሞናውያንን፡ 20ሂታውያንን ፈረዛውያንን ሬፋውያንን፡ 21ኣሞራውያንን፡ ከነኣናውያንን ጊርጋሳውያንን ይቡሳውያንን ንዘርእኻ ክህቦ እየ።

   ዘፍጥረት  ምዕራፍ 16            
   1ሳራይ፡ ሰበይቲ ኣብራም ከኣ ውሉድ ኣይወለደትሉን ነበረት። ኣጋር እትብሃል ግብጻዊት ግዝእቲ ድማ ነበረታ። 2ሳራይ ከኣ ንኣብራም፡ እንሆ፡ ኣነ ኸይወልድ እግዚኣብሄር ዓጽዩኒ እዩ፡ ምናልባሽ ብእኣ እንተ ተፋሬኹ፡ በጃኻ ናብዛ ግዝእተይ እቶ፡ በለቶ። ኣብራም ድማ ንቓል ሳራይ ሰምዐ። 3ኣብራም ኣብ ምድሪ ኸነኣን ዓሰርተ ዓመት ምስ ገበረ፡ ሳራይ፡ ሰበይቲ ኣብራም፡ ነታ ግብጻዊት ግዝእታ ኣጋር ወሲዳ ንኣብራም ሰብኣያ፡ ሰበይቱ ኽትከውን ሃበቶ። 4ንሱ ድማ ናብ ኣጋር ኣተወ፡ ንሳ ኸኣ ጠነሰት። ከም ዝጠነሰት ምስ ረኣየት፡ ንእመቤታ ኣቃለለታ። 5ሳራይ ድማ ንኣብራም፡ እዚ ዝዕገቦ ዘለኹ ናብ ልዕሌኻ ይውረድ። ኣነ ግዝእተይ ኣብ ሕቝፍኻ ሃብኩኻ፡ ከም ዝጠነሰት ምስ ረኣየት ከኣ ኣቃለለትኒ። እግዚኣብሄር ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ይፍረድ፡ በለቶ። 6ኣብራም ድማ ንሳራይ፡ እንሃ፡ ግዝእትኺ ኣብ ኢድኪ እያ፡ ጽቡቕ ኰይኑ ኸም እተራእየኪ ግበርያ፡ በላ። ሽዑ ሳራይ ኣዋረደታ፡ ንሳ ኸኣ ካብ ቅድሚኣ ሃደመት።
7መልኣኽ እግዚኣብሄር ግና ኣብ ጥቓ ዓይኒ ማይ ኣብ በረኻ፡ ኣብ ጥቓ መገዲ ሹር ኣብ ዘሎ ዓይኒ ረኸባ። 8ንሱ ድማ፡ ኣቲ ኣጋር፡ ግዝእቲ ሳራይ፡ ካበይ መጺእኪ፡ ናበይሲ ትኸዲ ኣሎኺ፧ በላ። ንሳ ኸኣ፡ ኣነ ኻብ ቅድሚ እመቤተይ ሳራይ እሃድምኣሎኹ፡ በለት። 9እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ከኣ፡ ናብ እመቤትኪ ተመለሲ፡ ኣብ ትሕቲ ኢዳ ድማ ትሕት በሊ፡ በላ። 10እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ከኣ፡ ንዘርእኺ ካብ ምብዛሑ እተላዕለ ክቝጸር ክሳዕ ዘይክኣል፡ ኣዝየ ኸብዝሖ እየ፡ በላ። 11እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ፡ እንሆ፡ ጥንስቲ ኢኺ ወዲ ኸኣ ክትወልዲ ኢኺ፡ እግዚኣብሄር መከራኺ ሰሚዑ እዩ እሞ፡ ስሙ እስማኤል ኣውጽእሉ። 12ንሱ ኣብ መንጎ ሰብ ከም ኣድጊ በረኻ ክኸውን እዩ፡ ኢዱ ናብ ልዕሊ ዅሉ፡ ኢድ ኵሉ ድማ ናብ ልዕሊኡ ኽትከውን እያ፡ ኣብ ቅድሚ ዅሎም ኣሕዋቱ ኸኣ ክነብር እዩ፡ በለ። 13ንሳ ድማ፡ ነቲ ዝርእየንስ ኣብዝዶ ርእየዮ እየ፧ ኢላ፡ ስም እቲ ንእኣ እተዛረበ እግዚኣብሄር፡ ኣታ ዝርኢ ኣምላኽ፡ ኢላ ኣውጽኣትሉ። 14ስለዚ እቲ ዔላ ብኤር-ለሓይ-ሮይ ተባህለ። ንሱ እንሆ፡ ኣብ መንጎ ቃዴስን ባሬድን ኣሎ።
15ኣጋር ከኣ ንኣብራም ወዲ ወለደትሉ። ኣብራም ድማ ነቲ ኣጋር ዝወለደትሉ ወዲ ስሙ እስማኤል ኣውጽኣሉ። 16በቲ ኣጋር ንኣብራም እስማኤል ዝወለደትሉ ግዜ ድማ ኣብራም ወዲ ሰማንያን ሹድሽተን ዓመት ኰይኑ ነበረ።

   ዘፍጥረት  ምዕራፍ 17            
   1ኣብራም ወዲ ተስዓን ትሽዓተን ዓመት ምስ ኰነ፡ እግዚኣብሄር ተራእዮ፡ ኣነ እቲ ዂሉ ዝኽእል ኣምላኽ እየ፡ ኣብ ቅድመይ ተማላለስ፡ ፍጹም ከኣ ኹን። 2ኪዳነይ ኣብ መንጎይን መንጎኻን ከቕውም እየ፡ ኣዝየውን ከብዝሓካ እየ፡ ድማ በሎ። 3ኣብራም ከኣ ብገጹ ተደፍአ፡ ኣምላኽ ድማ ከምዚ ኢሉ ተዛረቦ፥ 4እንሆ፡ ኣነስ ኪዳነይ ምሳኻ እዩ፡ ንስኻ ኣቦ ብዙሓት ህዝብታት ክትከውን ኢኻ። 5ኣቦ ብዙሓት ህዝብታት ገይረካ እየ እሞ፡ ኣብርሃም ደኣ እምበር፡ ደጊም ስምካ ኣብራም ኣይጸዋዕ። 6ኣዝየ ኸፍርየካ እየ፡ ህዝብታት ከም እትኸውን ድማ ክገብረካ እየ፡ ነገስታትውን ካባኻ ክወጹ እዮም። 7ኣነ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ ዘርእኻን፡ ብድሕሬኻ ድማ ኣብ ወለዶኦም ኪዳነይ ከቕውም እየ። ኣነ ንኣኻን ብድሕሬኻ ድማ ንዘርእኻን ኣምላኽ ከም ዝዀንኩ፡ እዚ ናይ ዘለኣለም ኪዳን እዩ። 8እዛ ምድሪ ስደትካ፡ ኲላ ምድሪ ኸነኣን፡ ንኣኻን ብድሕሬኻ ድማ ንዘርእኻን ንርስቲ ዘለኣለም ክህብ እየ፡ ኣምላኾም ከኣ ክኸውን እየ። 9ኣምላኽ ድማ ንኣብርሃም በሎ፡ ንስኻ ኸኣ ኪዳነይ ክትሕሉ ኢኻ፡ ንስኻን ብድሕሬኻውን ዘርእኻ ኣብ ወለዶኦም ትሕልዉ። 10እቲ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን፡ ብድሕሬኻ ድማ ኣብ ዘርእኻ ዘሎ እሞ ንስኻትኩም እትሕልዉዎ ኪዳን እዚ እዩ፡ ኣባኻትኩም ተባዕታይ ዘበለ ዂሉ ይገዘር። 11ስጋ ዕልቦኹም ግዘሩ፡ እዚ ድማ ነቲ ኣብ መንጎይን መንጎኹምን ዘሎ ኪዳን ምልክት ክኸውን እዩ። 12ኣባኻትኩም ወዲ ሾሞንተ መዓልቲ ተባዕታይ ዘበለ ዂሉ፡ ኣብ ወለዶኹም፡ ኣብ ቤት እተወልደን ካብ ማንም፡ ካብ ዘርእኻ ዘይኰነ ወዲ ጓና ብገንዘብ እተዓደገን ይገዘር። 13ኣብ ቤትካ እተወልደን ብገንዘብካ እተዓደገን ብግዲ ይገዘር። ኪዳነይ ኣብ ስጋኹም ኪዳን ዘለኣለም ክኸውን እዩ። 14ዘይተገዝረ ተባዕታይ፡ ስጋ ዕልቦኡ ዘይተገዝረ፡ እታ ነፍሲ እቲኣ ኪዳነይ ኣፍሪሳ እያ እሞ፡ ካብ ህዝባ ኽትምንቈስ እያ።
15ኣምላኽ ድማ ንኣብርሃም፡ ንሰበይትኻ ሳራይ ድማ ሳራ ደኣ እዩ እምበር፡ ስማ ሳራይ ኢልካ ኣይትጸውዓያ። 16ክባርኻ እየ፡ ህዝብታት ከኣ ክትከውን እያ፡ ነገስታት ህዝብታት እኳ ደኣ ኻብኣ ክዀኑ እዮም፡ በሎ። 17ሽዑ ኣብርሃም ብገጹ ተደፍአ፡ ስሒቑ ድማ ብልቡ፡ ንወዲ ሚእቲ ዓመትዶ ወዲ ይውለደሉ፧ ሳራ፡ ጓል ተስዓ ዓመትከ ትወልድዶ፧ በለ። 18ኣብርሃም ድማ ንኣምላኽ፡ እስማኤል ግዳ ኣብ ቅድሜኻ እንተ ዝነብር፡ በሎ። 19ኣምላኽ ከኣ በለ፥ ኣይፋልን፡ ሰበይትኻ ሳራ ደኣ ወዲ ኽትወልደልካ እያ፡ ስሙ ድማ ይስሃቅ ከተውጽኣሉ ኢኻ። ኪዳነይ ዘለኣለም ከቕውም እየ። 20ብዛዕባ እስማኤል ድማ ጸሎትካ ሰሚዐኣሎኹ። እንሆ፡ ባሪኸዮ ኣሎኹ፡ ከፍርዮን ኣዝየ ኸኣ ከብዝሖን እየ። ዓሰርተው ክልተ ሹም ክወልድ እዩ፡ ዓብዪ ህዝቢ ድማ ኽገብሮ እየ። 21ግናኸ ምስቲ፡ ሳራ ንዓመታ ኸምዛ ግዜ እዚኣ እትወልደልካ ይስሃቅ ኪዳነይ ከቕውም እየ። 22ምስኡ ምዝራብ ምስ ወድአ ኸኣ፡ ኣምላኽ ካብ ኣብርሃም ናብ ላዕሊ ደየበ።
23ኣብርሃም ድማ ንወዱ እስማኤልን ነቶም ኣብ ቤቱ እተወልዱ ዂሎምን ብገንዘቡ እተዓደጉ ዂሎምን፡ ካብ ቤተሰብ ኣብርሃም ተባዕታይ ዘበለ ዂሉ ወሲዱ፡ ከምቲ ኣምላኽ ዝበሎ በታ መዓልቲ እቲኣ ዕልቦ ስጋኦም ገዘረ። 24ኣብርሃም ስጋ ዕልቦኡ ኽግዘር ከሎ፡ ወዲ ተስዓን ትሽዓተን ዓመት ኰይኑ ነበረ። 25ወዱ እስማኤል ድማ ስጋ ዕልቦኡ ኽግዘር ከሎ፡ ወዲ ዓሰርተው ሰለስተ ዓመት ኰይኑ ነበረ። 26በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብርሃምን እስማኤል ወዱን ተገዝሩ። 27ኣብ ቤቱ እተወልዱ ዂሎም ቤተሰቡን ካብ ደቂ ጓና ብገንዘብ እተዓደጉን ምስኡ ተገዝሩ።

   ዘፍጥረት  ምዕራፍ 18            
   1ንሱ ብዳህሪ መዓልቲ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ድንኳን ተቐሚጡ ኸሎ ድማ፡ እግዚኣብሄር ኣብ ድዋታት መምሬ ተገልጸሉ። 2ኣዒንቱ ኸኣ ቋሕ ኣበለ፡ እንሆ ድማ፡ ሰለስተ ሰብኣይ ኣብ ቅድሚኡ ደው ኢሎም ረኣየ። ምስ ረኣዮም ድማ፡ ካብ ኣፍ ደገ እቲ ድንኳን ክቕበሎም ጐየየ፡ ናብ ምድሪ ኸኣ ሰገደ፡ 3በለ ድማ፡ ጐይታይ፡ ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ እንተ ደኣ ረኺበስ፡ በጃኻ፡ ንባርያኻ ኣይትሕለፈኒ። 4እእጋርኩም ክትሕጸቡ ሒደት ማይ ኰታ ይምጽኣልኩም፡ ኣብ ትሕቲ እዛ ኦም ድማ ዕረፉ። 5ብባርያኹም ኣቢልኩም ካብ እትሓልፉስ፡ ልብኹም ክትድግፉ፡ ቍራስ እንጌራ ኸምጽኣልኩም ድሕርቲ ትሓልፉ፡ በለ። ከምቲ ዝበልካዮ፡ ከምኡ ግበር፡ ድማ በልዎ። 6ኣብርሃም ቀልጢፉ ናብ ሳራ ናብ ድንኳን ኣትዩ፡ ቀልጢፍኪ ሰለስተ መስፈር ድኹም ሓርጭ ኣቘምጢዕኪ ቀጫጩ ሰንክቲ፡ በለ። 7ኣብርሃም ድማ ናብ ኣሓኡ ጐይዩ ልምሉም፡ ጽቡቕ ብተይ ወሲዱ፡ ነቲ ግዝኡ ሃቦ፡ ንሱ ኸኣ ኸዳልዎ ተቓለጠፈ። 8ርግኦን ጻልጣን እቲ ዘዳለዎ ብተይን ገይሩ ድማ ኣቕረበሎም። ንሱ ድማ ኣብ ትሕቲ እታ ኦም ኣብ ጥቓኦም ደው ኢሉ ነበረ፡ ንሳቶም ከኣ በልዑ።
9ንሳቶም ድማ፡ ሰበይትኻ ሳራኸ ኣበይ ኣላ፧ በልዎ ንሱ ኸኣ፡ ኣብ ድንኳን እንሃ፡ በለ። 10ሽዑ ንሱ፡ ንዓመታ ኸምዚ ቕንያት እዚ ርግጽ ክምለሰካ እየ፡ ሰበይትኻ ሳራ ድማ እንሃ፡ ሽዑ ወዲ ኽህልዋ እዩ፡ በለ። ሳራ ኸኣ ኣብ ኣፍ እቲ ብድሕሪኡ ዘሎ ድንኳን ከላ፡ እዚሰምዐት። 11ሕጂ ድማ ኣብርሃምን ሳራን ዕለቶም ዘብጽሑ ኣሪጎም ነበሩ፡ ንሳራ ድማ እቲ ልምዲ ደቂ ኣንስትዮ ገዲፍዋ ነበረ። 12ሳራ ኸኣ ብልባ ኸምዚ ኢላ ሰሓቐት፡ ድሕሪ እርግናይዶ ፍትወት ክልዓለኒ፧ ጐይታይ ድማ ኣሪጉ እዩ። 13እግዚኣብሄር ከኣ ንኣብርሃም፡ ስለምንታይ ሳራ፡ ኣሪገ ኸሎኹስ፡ ብሓቂ ውሉድ ክወልድ እየ፧ ኢላ ሰሓቐት፧ 14ንእግዚኣብሄርዶ ዝጨንቆ ነገር ኣለዎ፧ ንዓመታ ኸምዚ ቅንያት እዚ ብምዱብ ግዜ ኽምለሰካ እየ። ሳራ ድማ ወዲ ኽህልዋ እዩ፡ በሎ። 15ሽዑ ሳራ፡ ሰምቢዳ ነበረት እሞ፡ ኣይሰሓቕኩን፡ ኢላ ኣሉ በለት። ንሱ ግና፡ ኣይፋል፡ ስሒቕኪ እባ ደኣ፡ በላ።
16እቶም ሰባት ድማ ካብኡ ተንስኡ። ንሶዶም ገጾም ከኣ ቀንዑ፡ ኣብርሃምውን ከፋንዎም ምሳታቶም ከደ። 17እግዚኣብሄር ድማ፡ እቲ ኣነ ዝገብሮ ኻብ ኣብርሃምዶ ኽሓብኦ እየ፧ 18ኣብርሃምሲ ዓብይን ብርቱዕን ህዝቢ ክኸውን እዩ፡ ህዝብታት ኲላ ምድሪ ድማ ብእኡ ክባረኹ እዮም። 19እግዚኣብሄር ከኣ እቲ ብዛዕባ ኣብርሃም እተዛረቦ ከምጽኣሉ፡ ንሱ ድማ ብድሕሩኡውን ንቤቱን ንደቁን መገዲ እግዚኣብሄርክሕልዉን፡ ጽድቅን ፍርድን ከኣ ክገብሩን፡ ምእንቲ ኽእዝዞም፡ ፈለጥክዎ፡ በለ።
20እግዚኣብሄር ድማ፡ ጭራሕምራሕ ሶዶምን ጎሞራን በዝሑ እዩ እሞ፡ ሓጢኣቶም ከኣ ኣዝዩ በርቲዑ እዩ፡ 21ስለዚ ኸምቲ ናባይ ዝመጸ ጭራሕምራሕ ፈጺሞም ገይሮምዎ ወይ ዘይገበርዎ እንተ ዀይኖም ክፈልጥ፡ ወሪደ ኽርኢ እየ፡ በለ። 22እቶም ሰባት ድማ ካብኡ ገጾም መሊሶም ናብ ሶዶም ከዱ። ኣብርሃም ከኣ ገና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደው ኢሉ ነበረ። 23ኣብርሃም ድማ ቐሪቡ፡ ነቲ ጻድቕከ ምስቲ ረሲእዶ ኸተጥፍኦ ኢኻ፧ 24ምናልባሽ ኣብታ ኸተማ ሓምሳ ጻድቃን ይርከቡ ይዀኑ እዮም እሞ፡ ተጥፍኦምዶ፧ ምእንቲ እቶም ኣብኣ ዘለዉ ሓምሳ ጻድቃን ኢልካስ ነታ ቦታዶ ኣይትንሕፋን፧ 25ንጻድቕ ምስቲ ረሲእ ምቕታል ከምዚ ዝበለ ነገር ምግባርሲ ኻባካ ይርሓቕ፡ እቲ ጻድቕ ከምቲ ረሲእ ክኸውንሲ፡ ኻባኻ ይርሓቕ። እቲ ፈራድ ኲላ ምድርስ ፍትሒዶ ኣየውጽእን እዩ፧ በለ። 26እግዚኣብሄር ከኣ፡ ኣብ ሶዶም፡ ኣብ ማእከል እታ ከተማ ሓምሳ ጻድቃን እንተ ረኸብኩላስ፡ ንብዘላ እታ ቦታ ምእንታኦም ኢለ ኽንሕፋ እየ፡ በለ። 27ኣብርሃም ድማ መሉሱ፡ እንሆ፡ ኣነ መሬትን ሓመዂስትን ክነሰይ ምስ ጐይታይ ክዛረብ ደፈርኩ፡ 28ምናልባሽ ካብቶም ሓምሳ ጻድቃን ሓሙሽተ ይጐድሉ ይዀኑ፡ ብዛዕባ እቶም ሓሙሽተዶ ንብኸተማኣ ተጥፍኣ፧ በለ። ንሱ ኸኣ፡ ኣርብዓን ሓሙሽተን እንተ ረኸብኩላስ፡ ኣየጥፍኣን፡ በለ። 29ከም ብሓድሽ ድማ፡ ምናልባሽ ኣርብዓ ይርከብዋ ይዀኑ፡ ኢሉ ተዛረቦ። ምእንቲ እቶም ኣርብዓ ኢለ ኣይገብሮን እየ፡ በለ። 30ንሱ ኸኣ፡ ጐይታይ፡ ብምዝራበይ ደኣ ኣይትዀሪ። ምናልባሽ ሰላሳ ይርከብዋ ይዀኑ፡ በለ። ሰላሳ እንተ ረኸብኩላስ፡ ኣይገብሮን እየ፡ በለ። 31ንሱ ድማ፡ እንሆ፡ ምስ ጐይታይ ክዛረብ ደፈርኩ፡ ምናልባሽ ዕስራስ ግዲ ይርከብዋ ይዀኑ፡ በለ። ምእንቲ እቶም ዕስራ ኣየጥፍኣን እየ፡ በለ። 32ንሱ ኸኣ፡ ጐይታይ፡ ሓንሳእ ጥራይ ክዛረብሲ ኣይትዀሪ ደኣ፡ ምናልባሽ ዓሰርተስ ግዲ ይርከብዋ ይዀኑ፡ በለ። ምእንቲ እቶም ዓሰርተውን ኣየጥፍኣን እየ፡ በለ። 33እግዚኣብሄር ድማ ምስ ኣብርሃም በዛሪቡ ምስ ወድአ፡ ከደ። ኣብርሃምውን ናብ ቦታኡ ተመልሰ።

   ዘፍጥረት  ምዕራፍ 19            
   1እቶም ክልተ መላእኽቲ ድማ ምሸት ናብ ሶዶም መጹ። ሎጥ ከኣ ኣብ ደገ ሶዶም ተቐሚጡ ነበረ። ሎጥ ድማ ምስ ረኣዮም፡ ክቕበሎም ተንስአ፡ ብገጹ ኸኣ ናብ ምድሪ ተደፍአ እሞ፡ 2ኣቱም ጐይተተይ፡ በጃኹም እንሆ፡ ኣብ ቤት ባርያኹም ኣግልሱ፡ ኣብኣ ድማ ሕደሩ፡ ኣእጋርኩምውን ተሓጸቡ። ኣንጊህኩም ተንሲእኩም ከኣ መገድኹም ትኸዱ፡ በለ። ንሳቶም ግና፥ ኣይፋልናን፡ ኣብ ኣደባባይ ደኣ ንሓድር፡ በሉ። 3ንሱ ኸኣ ኣዝዩ ግዲ በሎም እሞ ናብኡ ኣግሊሶም ናብ ቤቱ ኣተዉ። ንሱ ድማ ቅጫ ሰንኪቱ መኣዲ ኣዳለወሎም፡ ንሳቶምውን በልዑ።
4ገና ኸይደቀሱ ኸለዉ ድማ፡ ሰብ እታ ኸተማ፡ ሰብ ሶዶም፡ ኣጒባዝን ኣረገውትን፡ ብዘሎ እቲ ህዝቢ ኻብ ኲሉ ሸነኽ መጺኡ፡ ነታ ቤት ከበባ። 5ንሎጥ ጸዊዖም ከኣ፥ እዞም ብለይቲ ናባኻ ዝኣተዉ ሰባት ኣበይ ኣለዉ፧ ምእንቲ ኽንፈልጦምሲ፡ ናባና ኣውጽኣዮም፡ በልዎ። 6ሎጥ ድማ ናባታቶም ናብ ኣፍደገ ወጸ፡ ነቲ ማዕጾውን ብድሕሪኡ ዓጸዎ። 7በሎም ከኣ፡ ኣሕዋተየ፡ ከምዚ ዝበለ ኽፉእ ኣይትግበሩ፡ 8እነዋ፡ ሰብኣይ ዘይፈለጣ ኽልተ ኣዋልድ ኣለዋኒ፡ በጃኹም ሕደጉ፡ ንኣታተን ከውጽኣልኩም፡ ባህ ዝበለኩም ግበርወን። እዞም ሰባት እዝኦም ግና ኣብ ጽላል ናሕሰይ ኣትዮም እዮም እሞ፡ ገለ እኳ ኣይትግበርዎም። 9ንሳቶም ግና፡ ኣልግስ፡ ንየው በል፡ በሉ። ድማ፡ እዚ ሓደ ስደተኛ ዀይኑ ዝመጸስ ዳኛ ዀይኑ ኽፈርድ ይደሊ ኣሎ፡ ሕጂ ግና ካብ ንኣታቶም ዝገደደ ኸነኽፍኣልካ ኢና፡ በሉ። ነቲ ሰብኣይ፡ ንሎጥ፡ ብሓይሊ ጐነጽዎ፡ ማዕጾ ኽሰብሩ ድማ ቐረቡ። 10ሽዑ እቶም ሰባት ኣእዳዎም ኣስሊኾም፡ ንሎጥ ናባታቶም ናብ ቤት ኣእተዉዎ፡ ነቲ ማዕጾ ድማ ዓጸዉዎ። 11ነቶም ኣብ ኣፍ ቤት ዝነበሩ ሰባት፡ ካብ ናእሽቱ ኽሳዕ ዓበይቲ፡ ኣዖርዎም እሞ ነቲ ኣፍ ደገ ክረኽቡ ይደኽሙ ነበሩ። 12እቶም ሰብ ድማ ንሎጥ፡ ኣብዚ ገና ኻብ ናትካዶ ኣሎካ፧ ሰብኣይ ጓልን ኣወዳትካን ኣዋልድካን ኣብዛ ኸተማ ዘሎ ናትካ ዘበለ ዂሉን ካብዛ ቦታ እዚኣ ኣውጽኣዮም። 13ነዛ ቦታ እዚኣ ኸኣ፡ ጭራሕ ምራሖም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዓብዩ ስለዚዀነ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ከነጥፍኣ ልኢኹና እዩ እሞ፡ ንሕና ኸነጥፍኣ ኢና፡ በልዎ። 14ሎጥ ድማ ወጺኡ ነቶም ነዋልዱ ዘእተዉ ሰብኡት ኣዋልዱ፡ እግዚኣብሄር ነዛ ከተማ ከጥፍኣ እዩ እሞ፡ ተንስኡ፡ ካብዛ ቦታ እዚኣ ውጹ፡ ኢሉ ተዛረቦም። እቶም ሰብኡት ኣዋልዱ ግና ይዋዘ ኸም ዘሎ መሲሉ ተራእዮም።
15ቀይሐጸሊም ኽቐድድ ከሎ ድማ፡ እቶም መላእኽቲ ንሎጥ፡ ብዓመጽ እዛ ኸተማ ኸይትጠፍእሲ፡ ሰበይትኻን እዘን ኣብዚ ዘለዋ ኽልተ ኣዋልድካን ተማሊእካ ተለዓል፡ ኢሎም ሃወኽዎ። 16ንሱ ግና ደንጐየ። እግዚኣብሄርክንሕፎ ስለ ዝደለየ፡ እቶም ሰባት ኢዱን ኢድ ሰበይቱን ኢድ ክልቲአን ኣዋልዱን ሒዞም ኣውጽእዎ፡ ኣብ ወጻኢ እታ ኸተማ ድማ ሓደግዎ። 17ኰነ ኸኣ፡ ናብ ወጻኢ ምስ ኣውጽእዎም፡ ነፍስኻ ኣድሕን፡ ንድሕሪት ገጽካ ግልጽ ኣይትበል፡ ኣብ ብዘሎ እዚ ጐልጐል ድማ ደው ኣይትበል። ምእንቲ ኸይትጠፍእ፡ ናብ ከረን ኣቢልካ ድሓን፡ በለ። 18ሎጥ ግና፡ ኣይፋልካን ጐይታይ፡ 19እንሆ ባርያኻ ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ ረኺቡ ኣሎ፡ ንነፍሰይ ብምድሓንካ ዝገበርካለይ ምሕረትካ ድማ ኣዕቤኻዮ። ኣነ ግና፡ እቲ ኽፉእ ከየርክበንን ከይመውትን፡ ናብ ከረን በጺሐ ኽድሕን ኣይክእልን እየ። 20በጃኻ እንሃ፡ እዛ ኸተማ እዚኣ ናብኣ ንምህዳም ቀረባ እያ፡ ንእሽቶ ኸኣ እያ። ንእሽቶዶ ኣይኰነትን፧ እሞ ነፍሰይ ብህይወት ምእንቲ ኽትነብርሲ፡ በጃኻ፡ ናብኣ ኽድሕን ሕደገኒ፡ በሎም። 21ንሱ ድማ፡ ነታ እተዛረብካላ ኸተማ ኸይግልብጣስ፡ እንሆ፡ በዚ ነገርዚ`ውን ሕራይ ኢለካ እየ። 22ኣብኣ ኸይበጻሕካ፡ ገለ ነገር ክገብር ኣይክእልን እየ እሞ፡ ቀልጢፍካ ናብኣ ድሓን፡ በሎ። ስለዚ ስም እታ ኸተማ ዞኣር ተባህለት።
23ሎጥ ኣብ ዞኣር ምስ ኣተወ ድማ፡ ኣብታ ምድሪ ጸሓይ በረቐት። 24ሽዑ እግዚኣብሄር ካብ ሰማይ ኣብ ልዕሊ ሶዶምን ኣብ ልዕሊ ጎሞራን ካብ እግዚኣብሄር ዲንን ሓውን ኣዝነመ። 25ነዘን ከተማታት እዝአንን ንዂሉ ጐልጐልን ኣብተን ከተማታት ንዝነብሩ ዂሎምን ንብቝሊ ምድርን ገልበጠ። 26ሰበይቲ ሎጥ ግና ንድሕሪት ክትርኢ ግልጽ በለት፡ ሓወልቲ ጨው ከኣ ዀነት። 27ኣብርሃም ድማ ንጽብሒቱ ናብታ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደው ኢሉላ ዝነበረ ቦታ ኣንግሀ። 28ናብ ሶዶምን ጎሞራን ናብ ብዘላ ምድሪ ጐልጐልን ኣማዕደወ፡ እንሆ ኸኣ፡ ካብታ ሃገር፡ ትኪ እቶን ዝመስል፡ ትኪ ኽለዓል ረኣየ። 29ከምዚ ኸኣ ዀነ፡ ኣምላኽ ነተን ኣብ ጐልጐል ዝነበራ ኸተማታት ከጥፍእ ከሎ፡ ኣምላኽ ንኣብርሃም ዘከሮ። ነተን ሎጥ ተቐሚጥወን ዝነበረ ኸተማታት ክግልብጥ ከሎ፡ ንሎጥ ካብ ማእከል ምግልባጥ ኣውጽኦ። 30ሎጥ ከኣ ኣብ ዞኣር ንምቕማጥ ፈሪሁ ነበረ እሞ፡ ኣብ ዞኣር ደይቡ፡ ክልቲአን ኣዋልዱ ድማ ምስኡ ኣብ ከረን ተቐመጡ። ንሱን ክልቲአን ኣዋልዱን ኣብ በዓቲ ተቐመጡ። 31እታ ቦዂሪ ኸኣ ነታ ንእሽቶ፡ ኣቦና ኣሪጉ እዩ፡ ኣብ ምድሪ ድማ ከም ልማድ ኵሉ ምድሪ ዘእትወና ሰብኣይ የልቦን። 32ንዒ፡ ነቦና ወይኒ ነስትዮ፡ ካብ ኣቦና ዘርኢ ምእንቲ ኸነትርፍሲ ምስኡ ንደቅስ፡ በለታ። 33እሞ በታ ለይቲ እቲኣ ነቦአን ወይኒ ኣስተያኦ፡ እታ በዂሪ ድማ ኣትያ ምስ ኣቦኣ ደቀሰት። ንሱ ግና ምድቃሳን ምትንስኣን ኣይፈለጠን። 34ኰነ ኸኣ፡ ንጽብሒቱ እታ በዅሪ ነታ ንእሽቶ፥ እንሆ፡ ትማሊ ለይቲ ምስ ኣቦይ ደቂሰ፡ በዛ ለይቲ እዚኣ ድማ ወይኒ ነስትዮ፡ ካብ ኣቦና ዘርኢ ምእንቲ ኸነትርፍ፡ ንስኺ ድማ ኣቲኺ ምስኡ ደቅሲ፡ በለታ። 35በታ ለይቲ እቲኣ ድማ ነቦአን ወይኒ ኣስተያኦ፡ እታ ንእሽቶ ኸኣ ከይዳ ምስኡ ደቀሰት። ንሱ ግና ምድቃሳን ምትንስኣን ኣይፈለጠን። 36ክልቲአን ደቂ ሎጥ ከኣ ካብ ኣቦአን ጠነሳ። 37እታ በዅሪ ወዲ ወለደት፡ ስሙ ኸኣ ሞኣብ ኣውጽኣትሉ። ንሱ ኽሳዕ ሎሚ ኣቦ ሞኣባውያን እዩ። 38እታ ንእሽቶ፡ ንሳ ድማ ወዲ ወለደት፡ ስሙ ብንዓሚ ኣጽኣትሉ። ንሱ ኽሳዕ ሎሚ ኣቦ ደቂ ዓሞን እዩ።

   ዘፍጥረት  ምዕራፍ 20            
   1ኣብርሃም ድማ ካብኡ ንምድሪ ደቡብ ኣቢሉ ተጓዕዘ። ኣብ መንጎ ቃዴስን ሹርን ተቐመጠ፡ ኣብ ጌራር ከኣ ስደተኛ ዀይኑ ነበረ። 2ኣብርሃም ድማ ብዛዕባ ሰበይቱ ሳራ፡ ሓብተይ እያ፡ በለ። ኣቢሜለክ፡ ንጉስ ጌራር ከኣ፡ ልኢኹ ንሳራ ወሰዳ። 3ኣምላኽ ግና ናብ ኣቢሜለክ ለይቲ ብሕልሚ መጺኡ፡ እዛ ወሲድካያ ዘሎኻ ሰበይቲ በዓልቲ ሰብኣይ እያ እሞ፡ እንሆ፡ ብሰራ ኽትመውት ኢኻ፡ በሎ። 4ኣቢሜለክ ከኣ ኣይቀረባን ነበረ እሞ፥ ጐይታይ፡ ንጻድቕ ህዝቢውንዶ ትቐትል ኢኻ፧ 5ባዕሉዶ ኣይኮነን፡ ንሳ ሓብተይ እያ፡ ዝበለኒ፧ ንሳ ባዕላ ድማ፡ ንሱ ሓወይ እዩ፡ በለት። ብጽጹይ ልበይን ብጽሩይ ኢደይን እየ ነዚ ዝገበርኩ፡ በለ። 6ኣምላኽ ከኣ ብሕልሚ፡ ኣነውን እዚ ብጽጹይ ልብኻ ከም ዝገበርካዮ፡ ፈሊጠ፡ ኣነ ድማ ኣብ ቅድመይ ሓጢኣት ከይትገብር ከልከልኩኻ። ስለዚ ኽትትንክያ ኣይፈቐድኩልካን። 7ሕጂ ኸኣ ሰበይቲ እቲ ሰብኣይ ምለሳ። ነብዪ እዩ እሞ፡ ምእንቲ ኽትድሕን ከኣ ንሱ ይጸልየልካ። እንተ ዘይመለስካያ ግና፡ ንስኻን ናትካ ዘበለ ዅሉን ብርግጽ ከም እትመውት ፍለጥ፡ በሎ።
8ኣቢሜለክ ንጽብሒቱ ኣንጊሁ ተንስአ፡ ንዅሎም ገላውኡ ጸዊዑ እዚ ነገርዚ ዅሉ ኣዘንተወሎም። እቶም ሰባት ከኣ ኣዝዮም ፈርሁ። 9ኣቢሜለክ ከኣ ንኣብርሃም ጸዊዑ፡ እዚ ዝገበርካና እንታይ እዩ፧ ኣባይን ኣብ መንግስተይን ዓብዪ ሓጢኣት ዘምጻእካልና፡ እንታይ በዲለካ ነይረ እየ፧ ዘይግበር ግብሪ እንካ ደኣ ገበርካኒ፡ በሎ። 10ኣቢሜለክ ድማ ንኣብርሃም፡ እንታይ ተራእዩካ ኢኻ እዚ ነገርዚ ዝገበርካ፧ በሎ። 11ኣብርሃም ከኣ፡ ኣብዛ ቦታ እዚኣ ብርግጽ ፍርሃት ኣምላኽ የልቦን እሞ፡ ብምኽንያት ሰበይተይ ክቐትሉኒ እዮም፡ ኢለ እየ። 12ንሳ ድማ ብሓቂ ሓብተይ፡ ጓል ኣቦይ፡ እያ፡ ጓል ኣደይ ግና ኣይኰነትን፡ ሰበይተይ ከኣ ዀነት። 13ኰነ ድማ፡ ኣምላኽ ካብ ቤት ኣቦይ ምስ ኣውጽኣኒ፥ ኣብ ኵሉ ዝኣቶናዮ ቦታ ብዛዕባይ፥ ንሱ ሓወይ እዩ፡ ክትብሊ፡ እዚ እዩ እተርእይኒ ሞገስኪ፡ በልክዋ፡ በለ። 14ኣቢሜለክ ኣባጊዕን ኣሓን ተባዕትዮን ኣንስትዮን ባሮት ወሲዱ ኸኣ ንኣብርሃም ሃቦ። ሰበይቱ ሳራ ድማ መለሰሉ። 15ኣቢሜለክ ከኣ፥ እንሆ ምድረይ ኣብ ቅድሜኻ እያ፡ ኣብ ዝሓይሽ መሲሉ እተራእየካ ተቐመጥ፡ በለ። 16ንሳራ ድማ፡ እንሆ፡ ንሓውኪ ሽሕ ሲቃል ብሩር ሂበዮ ኣሎኹ። እንሆ፡ እዚ ኣብ ቅድሚ እቶም ምሳኺ ዘለዉ ዅሎም መጐልበቢ ዓይኒ ይኹንኪ፡ ኣብ ቅድሚ ዅሉውን ተሰይምኪ፡ በላ። 17-18እግዚኣብሄር ብምኽንያት ሳራ፡ ሰበይቲ ኣብርሃም፡ ኢሉ ኣብ ቤት ኣቢሜለክ ንዝነበረ ዅሉ ማህጸን ፈጺሙ ዓጽይዎ ነበረ እሞ፡ ኣብርሃም ድማ ንኣምላኽ ለመነ። ኣምላኽውን ንኣቢሜለክን ንሰበይቱን ኣግራዱን ኣሕወየ፡ ወለዱ ኸኣ።

   ዘፍጥረት  ምዕራፍ 21            
   1እግዚኣብሄር ድማ፡ ከምቲ ዝበሎ ንሳራ በጽሓ። እግዚኣብሄር ከኣ ንሳራ ኸምቲ እተዛረቦ ገበረላ። 2ሳራ ድማ ጠነሰት፡ በቲ ኣምላኽ እተዛረቦ ምዱብ ወርሓት ከኣ ንኣብርሃም ኣብ እርግናኡ ወዲ ወለደትሉ። 3ኣብርሃም ድማ ነቲ እተወልደሉ ወዱ፡ ሳራ ዝወለደትሉ፡ ስሙ ይስሃቅ ኣውጽኣሉ። 4ኣብርሃም ከኣ ንይስሃቅ ወዱ፡ ከምቲ ኣምላኽ ዝኣዘዞ፡ ወዲ ሾሞንተ መዓልቲ ምስ ኰነ፡ ገዘሮ። 5ኣብርሃም ድማ ወዱ ይስሃቅ ክውለደሉ ኸሎ፡ ወዲ ሚእቲ ዓመት ኰይኑ ነበረ። 6ሳራ ኸኣ፡ ኣምላኽ ሰሓቕ ገበረለይ፡ እዚ ዝሰምዐ ዘበለ ኹሉ ኸኣ ምሳይ ይስሕቕ፡ በለት። 7ኣብ እርግናኡ ወዲ ወሊደሉ እየ እሞ፡ ሳራ ቘልዓ ተጥቡ ኸም ዘላስ፡ ንኣብርሃም መን ምነገሮ፡ ድማ በለት።
8እቲ ቘልዓ ኸኣ ዓበየ፡ ጡብውን ሓደገ። በታ ይስሃቅ ጡብ ዝሓደገላ መዓልቲ ድማ ኣብርሃም ዓብዪ ምሳሕ ገበረ። 9ሳራ ድማ እቲ ኣጋር፡ ግብጻዊት፡ ንኣብርሃም ዝወለደትሉ ወዲ ኸላግጽ ረኣየት። 10ንኣብርሃም ድማ፡ ወዲ እዛ ባርያ እዚኣ ምስ ወደይ፡ ምስ ይስሃቅ፡ ኣይወርስን እዩ እሞ፡ ነዛ ባርያ እዚኣን ንወዳን ኣውጽኣዮም፡ በለቶ። 11እዚ ነገርዚ ኸኣ ንኣብርሃም ብምኽንያት ወዱ ኣዝዩ ኽፉእ ኰይኑ ተራእዩ። 12ኣምላኽ ድማ ንኣብርሃም፡ ብናይ እዚ ወድን ብናይ እዛ ባርያኻን ክፉእ ኰይኑ ኣይርኤኻ። ብይስሃቅ እዩ ዘርኢ ዝጽውዓልካ እሞ፡ ብዅሉ ሳራ እትብለካ ዘላ ቓላ ስማዕ። 13ንወዲ እዛ ባርያ ድማ፡ ዘርእኻ ስለ ዝዀነ፡ ህዝቢ ኽገብሮ እየ፡ በሎ።
14ንጽብሒቱ ኸኣ ኣብርሃም ኣንጊሁ ተንሲኡ እንጌራን ሓርቢ ማይን ወሲዱ፡ ንኣጋር ሃባ፡ ኣብ መንኩባ ድማ ኣሰከማ፡ እቲ ቘልዓውን ሂቡ ሰደዳ። ንሳ ኸኣ ኸይዳ፡ ኣብ በረኻ ብኤር-ሸባዕ ኰብለል ትብል ነበረት። 15እቲ ማይ ካብ ሓርቢ ተወድአ ኸኣ፡ እቲ ቘልዓ ኣብ ትሕቲ ሓንቲ ኦም ይውደቕ ሓደገቶ። 16ሞት እዚ ቘልዓ ኸይርኢ፡ ኢላ ድማ ኸደት እሞ ምውርዋር ቀስቲ ዝኣክል ርሒቓ ኣብ መንጽሩ ተቐመጠት።ኣብ መንጽሩ ተቐሚጣ ድማ ዓው ኢላ በኸየት። 17ኣምላኽ ከኣ ድምጺ እቲ ቘልዓ ሰምዐ። መልኣኽ ኣምላኽ ድማ ንኣጋር ካብ ሰማይ ጸዊዑ፡ ኣጋር፡ እንታይ ኴንኪ ኢኺ፧ ኣምላኽ ድምጺ እቲ ቘልዓ ኣብታ ዘለዋ ኸሎ ሰሚዕዎ እዩ እሞ፡ ኣይትፍርሂ። 18ነቲ ቘልዓ ዓብዪ ህዝቢ ኽገብሮ እየ እሞ፡ ተንስኢ፡ ኣልዒልኪ ብኢድኪ ደግፍዮ፡ በላ። 19ኣምላኽ ድማ ዓይና ኸፈተላ፡ ዔላ ማይ ከኣ ረኣየት። ከይዳ ኸኣ ሓርባ ማይ መሊኣ ነቲ ቘልዓ ኣስተየቶ። 20ኣምላኽ ድማ ምስቲ ቘልዓ ነበረ፡ ንሱ ኸኣ ዓበየ፡ ኣብ በረኻውን ተቐመጠ፡ ቀስተኛ ኸኣ ዀነ። 21ንሱ ኣብ በረኻ ጳራን ይቕመጥ ነበረ። ኣዲኡ ድማ ካብ ሃገር ግብጺ ሰበይቲ ኣምጽኣትሉ።
22ኰነ ኸኣ፡ በቲ ዘበን እቲ ኣቢሜለክ ምስ ፊኮል ሓለቓ ሰራዊቱ መጺኡ ንኣብርሃም ከምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ ኣምላኽ ብትገብሮ ዘበለ ኵሉ ምሳኻ እዩ። 23ሕጂ ኸኣ ከምቲ ኣነ ለውሃት ዝገበርኩልካ፡ ንኣይን ነዛ ስደተኛ ዄንካ እትነብራ ዘሎኻ ምድርን፡ ከምኡ ኽትገብር እምበር፡ ንኣይን ንደቀይን ንደቂ ደቀይን ከይትጠልም ብኣምላኽ መሓለለይ። 24ኣብርሃም ከኣ፡ ኣነ እምሕል በለ። 25ኣብርሃም ድማ ብዛዕባ ባሮት ኣቢሜለክ ብሓይሊ ዝሓዝዋ ዔላ ማይ ንኣቢሜለክ ወቐሶ። 26ኣቢሜለክ ከኣ፥ ነዚ ነገር እዝስ መን ከም ዝገበሮ ኣይፈለጥኩን፡ ንስኻ ድማ ኣይነገርካንን፡ ኣነውን ብዘይሎሚ ኣይሰማዕኩን፡ በለ። 27ኣብርሃም ድማ ኣባጊዕን ኣብዑርን ወሲዱ ንኣቢሜለክ ሃቦ። ክልቲኦም ከኣ ኪዳን ተኣታተዉ። 28ኣብርሃም ድማ ካብ መጋርያኡ ሾብዓተ ሽበን ንበይነን ፈለየ። 29ኣቢሜለክ ከኣ ንኣብርሃም፡ እዘን ንበይነን ዝፈለኻየን ሾብዓተ ሽበን እንታይ እየን፧ በሎ። 30ንሱ ድማ፡ ነዛ ዔላ እዚኣ ኣነ ኸም ዝዀዓትክዋ፡ ምእንቲ ንኣይ ምስክር ክዀናኒ፡ እዘን ሾብዓተ ሽበን እዚአን ካብ ኢደይ ክትወስድ፡ በለ። 31ስለዚ ኽልቲኦም ኣብኣ ስለ እተማሓሓሉ፡ ነታ ቦታ እቲኣ ብኤር-ሸባዕ ኢሉ ኣውጽኣላ። 32ኣብ ብኤር-ሸባዕ ከኣ ኪዳን ተኣታተዉ፡ ኣቢሜለክ ድማ ተንሲኡ ምስ ፊኮል፡ ሓለቓ ሰራዊቱ፡ ናብ ምድሪ ፍልስጥኤማውያን ተመልሱ።
33ኣብርሃም ከኣ ኣብ ብኤር-ሸባዕ ተምሪ ተኸለ። ኣብኣውን ብስም እግዚኣብሄር፡ ዘለኣለማዊ ኣምላኽ፡ ተማህለለ። 34ኣብርሃም ድማ ኣብ ምድሪ ፍልስጥኤማውያን ስደተኛ ዀይኑ ነዊሕ ዘበን ተቐመጠ።

   ዘፍጥረት  ምዕራፍ 22            
   1ድሕርዚ ነገርዚ ኸኣ ዀነ፡ ኣምላኽ ንኣብርሃም መከሮ በሎውን፡ ኣብርሃም። ንሱ ኸኣ፥ እኔኹ፡ በለ። 2እምበኣር ነቲ እትፈትዎ ሓደ ወድኻ ይስሃቅ ውሰድ እሞ፡ ናብ ምድሪ ሞርያ ኺድ፡ ኣብኣ ድማ ኣብ ሓደ ኻብቲ ኣነ ዝነግረካ ኣኽራን ንዝሓርር መስዋእቲ ሰውኣዮ፡ በለ።
3ንጽብሒቱ ድማ ኣብርሃም ኣንጊሁ ተንስአ፡ ኣድጉ ጽዒኑ፡ ክልተ ግዙኣቱን ወዱ ይስሃቅን ምስኡ ወሰደ፡ ንዝሓርር መስዋእቲ ዝኸውን ዕጨይቲውን ፈለጸ፡ ተንሲኡ ድማ ናብታ ኣምላኽ ዝነገሮ ቦታ ኸደ። 4ኣብርሃም ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኣዒንቱ ኣንቃዕሪሩ ነታ ቦታ ብርሑቕ ረአያ። 5ኣብርሃም ድማ ንግዙኣቱ፡ ምስ እዛ ኣድጊ ኣብዚ ጽንሑ፡ ኣነን እዚ ወድን ከኣ ናብቲ ኼድና ኽንሰግድ ኢና፡ ናባኻትኩም ድማ ንምለስ፡ በሎም። 6ኣብርሃም ድማ እቲ ንዝሓርር መስዋእቲ ዝኸውን ዕጨይቲ ወሲዱ፡ ንወዱ ይስሃቅ ኣሰከሞ፡ ሓውን ካራን ከኣ ብኢዱ ወሰደ፡ ክልትኦም ድማ ብሓደ ኸዱ። 7ይስሃቅ ነቦኡ ኣብርሃም፡ ኣቦየ፡ ኢሉ ተዛረቦ። ንሱ ኸኣ፧ እነኹ ወደይ፡ በሎ። ንሱ ድማ፥ ሓውን ዕጨይትንሲ እንሆ፡ እቲ ንዝሓርር መስዋእቲ ዝኸውን በጊዕ ደኣ ኣበይ ኣሎ፧ በለ። 8ኣብርሃም ከኣ፡ ወደየ፡ እቲ ንዝሓርር መስዋእቲ ዝኸውን በጊዕሲ ኣምላኽ ንርእሱ ይሓልዮ እዩ፡ በለ። ክልቲኦም ድማ ብሓደ ኸዱ።
9ናብታ ኣምላኽ ዝነገሮ ቦታ መጹ፡ ኣብርሃም ድማ ኣብኣ መሰውኢ ሰርሐ፡ ዕጨይቲ ኸኣ ጸፍጸፈሉ። ንወዱ ይስሃቅ ኣሲሩ ድማ ኣብቲ መሰውኢ ኣብ ልዕሊ እቲ ዕጨይቲ በጥ ኣበሎ። 10ኣብርሃም ድማ ንወዱ ኽሓርድ፡ ኢዱ ዘርጊሑ፡ ካራ ወሰደ። 11መልኣኽ እግዚኣብሄር ከኣ ካብ ሰማይ ጸዊዑ፡ ኣብርሃም፡ ኣብርሃም በሎ። ንሱውን፡ እኔኹ፡ በለ። 12ንሱ ድማ፡ ነዚ ሓደ ውሉድካ እኳ ካብ ዘይከላእካንስ፡ ንእግዚኣብሄር ከም እትፈርህ ሕጂ ፈሊጠ ኣሎኹ እሞ፡ ኢድካ ኣብዚ ወዲ ኣይትዘርግሕ፡ ገለን ኣይትግበሮ፡ በለ፡ 13ኣብርሃም ድማ ዓይኑ ቛሕ ኣበለ፡ እንሆ ኸኣ፡ ኣብ ድሕሪኡ ቐርኑ ብሓረግ እተታሕዘ ድዑል ረኣየ። ኣብርሃም ድማ ከይዱ፡ ነቲ ድዑል ወሲዱ፡ ኣብ ክንዲ ወዱ ንዝሓርር መስዋእቲ ሰውኦ። 14ኣብርሃም ከኣ ስም እታ ቦታ እቲኣ፡ እግዚኣብሄር ይርኢ፡ ኢሉ ኣውጽኣላ። ንሱ እቲ ኽሳዕ ሎሚ ኣብ ከረን እግዚኣብሄር ይሕለ፡ ዝብሃል ዘሎ እዩ።
15መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ካልኣይ ሳዕ ካብ ሰማይ ንኣብርሃም ጸውዖ፡ 16ብርእሰይ መሓልኩ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ እዚ ነገርዚ ኻብ እትገብር፡ ነቲ ሓደ ውሉድካን ካብ ዘይትኸልእ፡ 17ስለዚ ኣዝየ ኽባርኸካ እየ፡ ንዘርእኻ ድማ ከም ከዋኽብቲ ሰማይን ከምቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዘሎ ሑጻን ኣዝየ ኸብዝሖ እየ። ዘርእኻ ድማ ደጌታት ጸላእቱ ኽወርስ እዩ። 18ቃለይ ስለ ዝሰማዕካ ድማ ህዝብታት ኵላ ምድሪ ብዘርእኻ ክባረኹ እዮም፡ በሎ። 19ኣብርሃም ከኣ ናብ ግዙኣቱ ተመልሰ። ተላዒሎም ከኣ ብሓንሳእ ናብ ብኤር-ሸባዕ ከዱ። ኣብርሃም ድማ ኣብ ብኤር-ሸባዕ ተቐመጠ።
20ኰነ ኸኣ፡ ድሕርዚ ነገርዚ ንኣብርሃም፥ እንሆ፡ ሚልካ ድማ ንናሆር ሓውካ ደቂ ወሊዳትሉ፡ ኢሎም ነገርዎ። 21ዑጽ እቲ በዅሩ፡ ሓዉ ድማ ቡዝ፡ ቄሙኤል ከኣ ኣቦ ኣራም፡ 22ኬሴድን ሓዞን ጲልደሽን ይድላፍን ቤቱኤልን። 23ቤቱኤል ድማ ንርብቃ ወለደ። እዚኣቶም ሾሞንቲኦም ሚልካ ንናሆር፡ ሓዉ ኣብርሃም፡ ወለደትሉ። 24ሬኡማ ዝስማ ሰበይቲ ወሰኑ፡ ንሳ ድማ ጤባሕን ጋሓሞን ታሓሽን መዓካን ወለደት።

   ዘፍጥረት  ምዕራፍ 23            
   1ዕድመ ሳራ ድማ ሚእትን ዕስራን ሾብዓተን ዓመት ኰነ፡ እዚ እዩ ዓመታት ሳራ። 2ሳራ ኣብ ቂርያት-ኣርባዕ፡ ንሳ ኬብሮን ኣብ ምድሪ ኸነኣን፡ ሞተት። ኣብርሃም ድማ ንሳራ ኽሓዝነላን ክበኽየላን መጸ። 3ኣብርሃም ከኣ ኣብ ቅድሚ እታ ምውትቱ ተንስአ፡ ንደቂ ሔት ድማ፥ 4ኣነ ኣብ ማእከልኩም ጋሻን መጻእተኛን እየ። ነዛ ምውትተይ ካብ ቅድሚ ገጸይ ዝቐብረሉ ርስቲ መቓብር ምሳኻትኩም ሃቡኒ፡ ኢሉ ተዛረቦም። 5ደቂ ሔት ድማ ንኣብርሃም፥ 6ጐይታይ፡ ስምዓና፡ ንስኻ ኣብ ማእከልና ናይ ኣምላኽ መስፍን ኢኻ። ካብ መቓብርና ሓሪኻ ምውትኻ ቕበር። ካባና ሓደኳ ምውትኻ ንምቕባር መቓብሩ ዝኸልኣካ የልቦን፡ ኢሎም መለሱሉ። 7ኣብርሃም ከኣ ተንሲኡ ንህዝቢ እታ ሃገር፡ ንደቂ ሔት፡ ሰገደሎም፡ 8-9ንምውተይ ክቐብር ፈቒድኩምለይ እንተ ዄንኩምሲ፡ ስምዑኒ፡ ንዔፍሮን፡ ወዲ ጾሓር፡ እታ ኣብ ደረት ግራቱ ኣብ ማክጴላ ዘላ በዓቱ ኽህበኒ እሞ ንርስቲ መቓብር ኣብ ማእከልኩም ብምሉእ ዋጋ ኽህበኒ ለምኑለይ፡ ኢሉ ተዛረቦም። 10ዔፍሮን ከኣ ኣብ ማእከል ደቂ ሔት ተቐሚጡ ነበረ። ዔፍሮን፡ እቲ ሔታዊ፡ ድማ ኵሎም እቶም ብኣፍ ደገ ኸተማኡ ዝኣቱ ደቂ ሔት እናሰምዑ ንኣብርሃም፡ 11ኣይፋልካን ጐይታይ፡ ስምዓኒ ደኣ፡ እታ ግራት እህበካ፡ እታ ኣብኣ ዘላ በዓቲ ድማ እህበካ፡ ደቂ ህዝበይ እናረኣዩ እህበካ ኣለኹ፡ ምውትኻ ቕበር፡ ኢሉ መለሰሉ። 12ኣብርሃም ከኣ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ እታ ሃገር ሰገደ። 13ንዔፍሮን ድማ እቶም ህዝቢ እታ ሃገር እናሰምዑ፡ እንተ ትሰምዓኒ ዀታ፡ ኣነ ዋጋ እታ ግራት ክህብ፡ ካባይ ውሰድ እሞ ምውትተይ ኣብኣ ክቐብር፡ ኢሉ ተዛረቦ። 14ዔፍሮን ድማ ንኣብርሃም፡ 15ጐይታይ፡ ስምዓኒ ደኣ፡ ናይ ኣርባዕተ ሚእቲ ሲቃል ብሩር ምድሪ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን እንታይ እያ፧ ምውትኻ ግዳ ቕበር፡ ኢሉ መለሰሉ። 16ኣብርሃም ድማ ንዔፍሮን ሰሚዑ፡ እቲ ዔፍሮን፡ ደቂ ሔት እናሰምዑ፡ እተዛረቦ ዋጋ፡ ከምቲ ኣብ ነጋድ ዝተሓላለፍ ዝበለ ኣርባዕተ ሚእቲ ሲቃል ብሩር መዘነሉ። 17በዚኸምዚ ኸኣ እታ ኣብ ማክጴላ፡ ኣብ መንጽር መምሬ ዝነበረት ግራት ዔፍሮን፡ እታ ግራትን ኣብኣ ዘላ በዓትን፡ ኣብታ ግራትን ኣብ ዙርያኣ ኣብ ዘሎ ዅሉ ዶባን ዝነበረ ኣእዋምን፡ 18ደቂ ሔት እናረኣዩ ኣብ ቅድሚ እቶም ብደገ ኸተማኡ ዝኣትዉ ዅሎም ገንዘብ ኣብርሃም ኰይኑ ቘመ።
19ድሕርዚ ድማ ኣብርሃም ንሰበይቱ ሳራ ኣብ በዓቲ ግራት ማክጴላ፡ ኣብ መንጽር መምሬ፡ ንሳ ኸኣ ኬብሮን፡ ኣብ ምድሪ ኸንኣን ቀበራ። 20እታ ግራትን እታ ኣብኣ ዘላ በዓትን ድማ ካብ ደቂ ሔት ንኣብርሃም ርስቲ መቓብር ኰይና ቘመት።

   ዘፍጥረት  ምዕራፍ 24            
   1ኣብርሃም ከኣ ነዊሕ ዕድመ ዝገበረ ኣረጊት ነበረ። እግዚኣብሄር ድማ ንኣብርሃም ብዅሉ ባሪኽዎ ነበረ። 2ኣብርሃም ከኣ ነቲ ኣረጊት ግዙእ ቤቱ፡ ኣዛዝ ኩሉ ገንዘቡ፡ በጃኻ ኢድካ ኣብ ትሕቲ ሰለፈይ ኣንብር። 3ካብ ኣዋልድ እዞም ኣነ ኣብ ማእከሎም ዝነብር ዘሎኹ ከነኣናውያን፡ ንወደይ ሰበይቲ ኸይተተኣታትዎ ብእግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰማይን ኣምላኽ ምድርን አምሕለካ ኣሎኹ። 4ናብ ሃገረይን ናብ ዓሌተይን ኬድካ ደኣ ንወደይ ይስሃቅ ሰበይቲ ኣምጽኣሉ፡ በሎ። 5እቲ ግዙእ ከኣ፡ ምናልባሽ እታ ሰበይቲ ናብዛ ሃገር ደድሕረይ ክትስዕብ እንተ ዘይፈተወትከ፡ ንወድኻ ናብታ ንስኻ ዝወጻእካላ ሃገርዶ ብግዲ ኽመልሶ እየ፧ በሎ። 6ኣብርሃም ድማ፡ ንወደይ ናብኣ ኸይትመልሶ ተጠንቀቕ። 7እቲ ኻብ ቤት ኣቦይን ካብታ እተወለድኩላ ሃገርን ዘውጽኣኒ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰማይ፡ ንሱ ኸኣ፡ እዛ ምድሪ እዚኣ ንዘርእኻ ክህባ እየ፡ ኢሉ እተዛረበንን፡ ዝመሓለለይን፡ ንሱ መልኣኹ ቀቅድሜኻ ኽልእኽ እዩ እሞ ካብኡ ንወደይ ሰበይቲ ኸተምጽኣሉ ኢኻ። 8እታ ሰበይቲ ደድሕሬኻ ኽትስዕብ እንተ ዘይፈተወት ግና፡ ንስኻ ኻብዛ ማሕላይ ንጹህ ኢኻ። ሓንትስ ንወደይ ደኣ ናብኡ ኣይትምለሶ፡ በሎ። 9እቲ ግዙእ ኢዱ ኣብ ትሕቲ ሰለፍ ጐይታኡ ኣብርሃም ኣንበረ፡ ከምዚ ነገርዚ ገይሩ ኸኣ መሓለሉ።
10እቲ ግዙእ ድማ ካብ ኣግማል ጐይታኡ ዓሰርተ ገመል ወሲዱ፡ ካብ ኵሉ ዘዝጸበቐ ዘበለ ናይ ጐይታኡ ሒዙ ተበገሰ፡ ተንሲኡ ድማ ናብ መሶጶታምያ ናብ ከተማ ናሆር ከደ። 11ኣጋ ምሸት፡ በታ ማይ ክቐድሓላ ዝወጻላ ግዜ ኸኣ ኣብ ወጻኢ ኸተማ ኣብ ጥቓ ዔላ ማይ ነተን ኣግማል ኣብረኸን። 12በለ ድማ፡ ኣታ እግዚኣብሄር፡ ኣምላኽ ጐይታይ ኣብርሃም፡ ሎሚ ዀታ ኣገባግበለይ፡ ንጐይታይ ኣብርሃም ከኣ ምሕረት ግበር። 13እንሆ፡ ኣነ ኣብ ጥቓ እዚ ዓይኒ ማይ ደው ኢለ ኣሎኹ፡ ኣዋልድ ደቂ እዛ ኸተማ ኸኣ ማይ ክቐድሓ ይወጻ ኣለዋ። 14ይኹን ከኣ፡ ማይ ክሰቲ፡ በጃኺ ዕትሮኺ ትሕት ኣብልዮ ዝብላ ጓል፡ ንሳ ኸኣ፡ ስተ፡ ነግማልካውን ከስትየን እየ እትብለኒ፡ ንሳ ንይስሃቅ ባርያኻ ዝመደብካያ ትኹን። ንጐይታይ ምሕረት ከም ዝገበርካሉ ኸኣ በዚ እፈልጥ።
15ኰነ ኸኣ፡ ገና ዘረባኡ ኸይወድአ፡ እንሃ፡ ርብቃ፡ ጓል ቤቱኤል ወዲ ሚልካ፡ ሰበይቲ ናሆር ሓዉ ኣብርሃም፡ ዕትሮኣ ኣብ መንኩባ ጾይራ ወጸት። 16እታ ጓል ድማ ትርኢታ ኣዝያ ውቅብቲ፡ ሰብኣይ ዘይፈለጣ ድንግል ነበረት። ናብቲ ዓይኒ ማይ ወሪዳ ኸኣ ዕትሮኣ መሊኣ ደየበት። 17እቲ ግዙእ ድማ ጐይዩ ተቓባቢሉ፡ ካብ ዕትሮኺ ኰታ ሒደት ማይ ኣስትይኒ፡ በለ። 18ንሳ ኸኣ፡ ጐይታይ፡ ስተ፡ ኢላ ቐልጢፋ ዕትሮኣ ናብ ኢዳ ኣውሪዳ ኣስተየቶ። 19ምስ ኣስተየቶ ድማ፡ ነግማልካውን ክሳዕ ዝኣኽለን ክሰትያ ክቐድሓለን እየ፡ በለት። 20ቀልጢፋ ኸኣ ዕትሮኣ ናብ ጋብላ ኣዕሪቓ ማይ ክትቀድሕ መሊሳ ናብ ዔላ ጐየየት፡ ንዅለን ኣግማሉ ኸኣ ቀድሓትለን። 21እቲ ሰብኣይ ድማ እግዚኣብሄር መገዱ ኣቕኒዑሉ እንተ ዀነ ወይስ እንተዘይኰነ ኽፈልጥ፡ ስቕ ኢሉ ተኵሩ ይጥምታ ነበረ። 22ኰነ ኸኣ፡ እተን ኣግማል ሰትየን ምስ ኣእከላ፡ እቲ ሰብኣይ ፈረቓ ሲቃል ዝሚዛኑ ቐለቤት ወርቅን ዓሰርተ ሲቃል ዝሚዛኑ ኽልተ ኣምባር ወርቂውን ነእዳዋ ኣውጽአ፡ 23ጓል መን ኢኺ፧ በጃኺ ንገርኒ፡ ኣብ ቤት ኣቦኺኸ እንሓድረሉ ስፍራዶ ይርከብ፧ ድማ በለ። 24ንሳ ኸኣ፡ ኣነ ጓል ቤቱኤል፡ ወዲ ሚልካ ንናሆር ዝወለደትሉ፡ እየ፡ በለቶ። 25መሊሳ ኸኣ፡ ብዙሕ ሓሰርን ድርቋን፡ ንመሕደሪ ኸኣ ስፍራ ኣሎና፡ በለቶ። 26እቲ ሰብኣይ ድማ ፍግም ኢሉ ንእግዚኣብሄር ሰገደ። 27በለ ኸኣ፡ እቲ፡ ምሕረቱን እምነቱን ካብ ጐይታይ ዘየቋረጸ እግዚኣብሄር፡ ኣምላኽ ጐይታይ ኣብርሃም፡ ይባረኽ። እግዚኣብሄር ንኣይ ከኣ ብመገዲ ቤት ኣሕዋት ጐይታይ መርሓኒ። 28እታ ጓል ከኣ ጐይያ እዚ ነገርዚ ኣብ ቤት ኣዲኣ ነገረት።
29ርብቃ ድማ ላባን ዝስሙ ሓው ነበራ። ላባን ከኣ ናብቲ ሰብኣይ ኣብ ግዳም ናብቲ ዓይኒ ማይ ጐየየ። 30ኰነ ኸኣ፡ ነቲ ቀለቤትን ኣምባርን ኣብ ኢድ ሓብቱ ምስ ረኣየ፡ ዘረባ ርብቃ ሓብቱ ድማ፡ እቲ ሰብኣይ ከምዚ ኢሉ ተዛረበኒ፡ ክትብል ምስ ሰምዐ፡ ናብቲ ሰብኣይ መጸ፡ እንሆ ኸኣ፡ ምስተን ኣግማል ኣብ ጥቓ ዔላ ደው ኢሉ ነበረ። 31ኣታ ናይ እግዚኣብሄር ብሩኽ፡ ንምንታይ ኣብ ግዳም ደው ትብል፧ ቤት ኣዳልየልካ ኣሎኹ፡ ነግማልካ ኸኣ ሰፈር፡ እቶ፡ በሎ። 32ሽዑ እቲ ሰብኣይ ናብ ቤት ኣተወ። ንሱ ድማ ነተን ኣግማል ኣራገፈን፡ ሓሰርን ድርቋን ከኣ ሃበን፡ ንምሕጻብ ኣእጋሩን ኣእጋር እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰባትን ማይ ሃቦም። 33መብልዕ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ተቐረበ፡ ንሱ ግና፡ ጕዳየይ ከይነገርኩስ ኣይበልዕን፡ በለ። ንሱ ኸኣ፡ ተዛረብ፡ በለ።
34ንሱ ድማ በለ፡ ኣነ ግዙእ ኣብርሃም እየ። 35እግዚኣብሄር ንጐይታይ ኣብዝሑ ባረኾን ኣዕበዮን፡ ኣባጊዕን ኣሓን ብሩርን ወርቅን፡ ገላዉን ኣግራድን ኣግማልን ኣእዱግን ከኣ ሂብዎ ኣሎ። 36ሳራ፡ ሰበይቲ ጐይታይ ድማ ምስ ኣረገት፡ ንጐይታይ ወዲ ወለደትሉ፡ ንእኡ ኸኣ ዘለዎ ዅሉ ሂብዎ ኣሎ። 37ጐይታይ ድማ ኸምዚ ኢሉ ኣምሓለኒ፡ ካብ ኣዋልድ እዞም ኣነ ኣብ ምድሮም ዝነብር ዘሎኹ ከነኣናውያን፡ ንወደይ ሰበይቲ ኣይተምጽኣሉ። 38ናብ ቤት ኣቦይን ናብ ዓሌተይን ኬድካ ደኣ፡ ንወደይ ሰበይቲ ኣምጽኣሉ። 39ሽዑ ኸኣ እነ ንጐይታይ፥ ምናልባሽ እታ ሰበይቲ እንተ ዘይሰዓበትኒኸ፧ በልክዎ። 40ንሱ ድማ በለኒ፡ እቲ ኣነ ኣብ ቅድሚኡ ዝማላለስ እግዚኣብሄር መልኣኹ ምሳኻ ሰዲዱ መገድኻ ከቕንዓልካ እዩ እሞ ንወደይ ካብ ዓሌተይን ካብ ቤት ኣቦይን ሰበይቲ ኸተምጽኣሉ ኢኻ። 41ናብ ዓሌተይ ምስ መጻእካ ድማ፡ ካብቲ ማሕላይ ክትነጽህ ኢኻ፡ እንተ ዘይሃቡኻ፡ ሽዑ ኻብቲ ማሕላይ ንጹህ ትኸውን ኢኻ። 42ሎሚ ኸኣ ናብዛ ዓይኒ ማይ መጺአ በልኩ፡ ኣታ እግዚኣብሄር፡ ኣምላኽ ጐይታይ ኣብርሃም፡ እዛ ኣነ ዝኸዳ ዘሎኹ መገዲ ተቕንዓለይ እንተ ዄንካስ፡ 43እንሆ፡ ኣነ ኣብ ጥቓ እዛ ዓይኒ ማይ ደው ኢለ ኣሎኹ፡ ማይ ክትቀድሕ እትወጽእ ጓል፡ ኣነ ኸኣ፡ ካብ ዕትሮኺ ዀታ ሒደት ማይ ኣስትይኒ ዝብላ፡ 44ንሳ ድማ፡ ስተ፡ ነግማልካውን ክቐድሓለን እየ እትብለኒ፡ ንሳ እታ እግዚኣብሄር ንወዲ ጐይታይ ዝመደባ ሰበይቲ ትኹን። 45ኣነ ብልበይ ምዝራብ ከይወዳእኩ፡ እንሆ ርብቃ፡ ዕትሮኣ ኣብ መንኩባ ጾይራ፡ ወጸት፡ ናብ ዓይኒ ማይ ወሪዳ ድማ ቀድሐት። ኣነ ኸኣ፡ ኣስትይኒ ዀታ፡ በልክዋ። 46ቀልጢፋ ድማ ዕትሮኣ ኻብ መንኩባ ኣውሪዳ፡ ስተ፡ ነግማልካውን ከስትየን እየ፡ በለት። ኣነ ሰቴኹ፡ ነተን ኣግማል ድማ ኣስተየተን። 47ኣነ ኸኣ፡ ኣቲ፡ ጓል መን ኢኺ፧ ኢለ ሓተትክዋ። ንሳ ኸኣ፡ ጓል ቤቱኤል ወዲ ናሆር፡ ሚልካ ዝወለደትሉ እየ፡ በለት። ሽዑ ኣነ ቐለቤት ኣብ ኣፍንጫኣ፡ ኣምባር ደኣ ኣብ ኣእዳዋ ገበርኩላ። 48ፍግም ኢለ ድማ ንእግዚኣብሄር ሰገድኩሉ፡ ጓል ሓው ጐይታይ ንወዱ ኽወስድ ቅንዕቲ መገዲ ዝመርሓኒ ኣምላኽ ጐይታይ ኣብርሃም ኣመስገንኩ። 49ሕጂ ኸኣ ንጐይታይ ሞገስን እምነትን ትገብሩሉ እንተ ዄንኩም፡ ንገሩኒ። እንተዘይኰነ ድማ፡ ንየማን ወይስ ንጸጋም ክምለስ፡ ንገሩኒ።
50ሽዑ ላባንን ቤቱኤልን፡ እዚ ነገር እዚ ኻብ እግዚኣብሄር ዝወጸ እዩ፡ ክፉእ ሓደው ጽቡቕ ክንዛረበካ ኣይንኽእልን። 51እንሃ፡ ርብቃ ኣብ ቅድሜኻ ኣላ፡ ውሰዳ እሞ ኺድ። ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ድማ፡ ሰበይቲ ወዲ ጐይታኻ ትኹን፡ ኢሎም መለሱሉ። 52ኰነ ኸኣ፡ እቲ ግዙእ ኣብርሃም ዘረባኦም ምስ ሰምዐ፡ ኣብ ምድሪ ተደፊኡ ሰገደ። 53ድሕርዚ እቲ ግዙእ ኣቓሑ ብሩርን ኣቓሑ ወርቅን ክዳውንትን ኣውጺኡ ንርብቃ ሃባ። ንሓዋን ነዲኣን ድማ ክቡር ነገር ሃቦም። 54ንሱን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰባትን ከኣ በሊዖም ሰትዮም ኣብኡ ሓደሩ። ንጽብሒቱ ምስ ተንስኡ ኸኣ፡ ናብ ጐይታይ ክምለስ ኣፋንዉኒ፡ በለ። 55ሓዋን ኣዲኣን ድማ፡ እዛ ጓል ገለ ዓሰርተ መዓልቲ ምሳና ትቐኒ፡ ድሕሪኡ ትኺድ፡ በልዎ። 56ንሱ ኸኣ፡ ኣይተደናጕዩኒ፡ እግዚኣብሄር መገደይ ኣቕኒዑለይ እዩ፡ ናብ ጐይታይ ክኸይድ ስደዱኒ፡ በሎም። 57ነታ ጓል ጸዊዕና ኻብ ኣፋ ኽንሓትት፡ ከኣ በሉ። 58ንርብቃ ጸዊዕምድማ፡ ምስ እዚ ሰብኣይዚዶ ትኸዲ፧ በልዋ። ንሳ ድማ፡ እኸይድ፡ በለት። 59ሽዑ ንርብቃ ሓብቶምን፡ ንመጕዚታን ነቲ ግዙእ ኣብርሃምን ንሰቡን ይኺዱ ሓደግዎም። 60ንሳቶም ንርብቃ፡ ኣቲ ሓብትና፡ ኣሻሕ ኣእላፋት ኩኒ፡ ዘርእኺ ድማ ደገ ጸላእቱ ይውረስ፡ ኢሎም መረቕዋ። 61ርብቃ ኸኣ ምስ ኣግራዳ ኣብ ኣግማል ተወጢሐን ነቲ ሰብኣይ ሰዓባኦ። እቲ ግዙእ ድማ ንርብቃ ወሰዳ እሞ ኸደ።
62ይስሃቅ ከኣ ኣብ ምድሪ ደቡብ ተቐሚጡ ነበረ እሞ፡ ካብታ መገዲ ብኤር-ሓላይ-ሮይ ይመጽእ ነበረ። 63ይስሃቅ ድማ ኣጋ ምሸት ኣብ መሮር ኰይኑ ብሓሳቡ ኸስተንትን ወጺኡ ነበረ። ኣዒንቱ ኸኣ ቋሕ ኣበለ፡ እንሆ፡ ኣግማል ክመጻ ረኣየ። 64ርብቃ ድማ ኣዒንታ ቛሕ ኣቢላ፡ ንይስሃቅ ምስ ረኣየቶ፡ ቀልጢፋ ኻብ ገመል ወረደት። 65ነቲ ግዙእ ድማ፡ እቲ ኣብ መሮር ክቕበለና ዝመጽእ ዘሎ እንታዋይ ሰብኣይ እዩ፧ በለቶ። እቲ ግዙእ ከኣ፡ ንሱ ጐይታይ እዩ፡ በለ። ሽዑ መጐልበቢኣ ወሲዳ ተጐልበበት። 66እቲ ግዙእ ድማ ዝገበሮ ዅሉ ነገር ንይስሃቅ ኣዘንተወሉ። 67ይስሃቅ ከኣ ናብ ድንኳን ኣዲኡ ሳራ ኣእተዋ። ንርብቃ ድማ ወሰዳ እሞ ሰበይቱ ዀነት፡ ፈተዋውን። ይስሃቅ ከኣ ድሕሪ ሞት ኣዲኡ ተደበሰ።

   ዘፍጥረት  ምዕራፍ 25            
   1ኣብርሃም ድማ መሊሱ ቄጡራ ዝስማ ሰበይቲ ኣእተወ። 2ንሳ ኸኣ ንዝምራንን ዮቅሻንን ሜዳንን ሚድያንን ይሽባቅን ሹኣሕን ወለደትሉ። 3ዮቅሻን ድማ ንሸባን ዴዳንን ወለደ። ደቂ ዴዳን ከኣ ኣሹሪምን ለጡሺምን ለኡሚምን እዮም። 4ደቂ ሚድያን ድማ ኤፋን ኤፌርን ሓኖክን ኣቢዳዕን ኤልዳዕን እዮም። እዚኣቶም ኵሎም ደቂ ቄጡራ እዮም። 5ኣብርሃም ድማ ኵሉ ዘለዎ ንይስሃቅ ሃቦ። 6ነቶም ውሉድ ኣንስቲ ወሰኑ ንኣብርሃም ግና ኣብርሃም ህያባት ሂቡ፡ ገና ብህይወቱ ኸሎ፡ ካብ ወዱ ይስሃቅ ንሸነኽ ምብራቕ ኣቢሉ ናብ ምድሪ ምብራቕ ሰደዶም።
7ኣብርሃም ዝነበሮ ዘመን ዓመታት ህይወቱ ኸኣ እዚ እዩ፡ ሚእትን ሰብዓን ሓሙሽተን ዓመት። 8ኣብርሃም ድማ ጽቡቕ እርግና ኣሪጉ ዕድመ ጸጊቡ ትንፋሱ ወጸት ሞተውን፡ ናብ ህዝቡ ኸኣ ተኣከበ። 9ደቁ ይስሃቅን እስማኤልን ድማ ኣብታ ኣብ ግራት ኤፍሮን ወዲ ጾሓር ሔታዊ፡ ኣብ መንጽር መምሬ ዘላ በዓቲ ማኽጴላ ቐበርዎ። 10ኣብታ ኣብርሃም ካብ ደቂ ሔት እተሻየጣ ግራት፡ ኣብርሃምን ሰበይቱ ሳራን ኣብኣ ተቐብሩ። 11ኰነ ድማ፡ ድሕሪ ሞት ኣብርሃም ንወዱ ይስሃቅ ኣምላኽ ባረኾ። ይስሃቅ ከኣ ኣብ ብኤር-ሓላይ-ሮይ ይቕመጥ ነበረ።
12ውለዶ እስማኤል ወዲ ኣብርሃም፡ ኣጋር፡ እታ ግብጻዊት ግዝእቲ ሳራ፡ ንኣብርሃም ዝወለደትሉ፡ እዚ እዩ፡ 13ስማት ደቂ እስማኤል በብስሞም ኣብ ወወለዶኦም እዚ እዩ፡ በዅሪ ወዲ እስማኤል ነባዮት፡ ድማ ቄዳርን ኣድብኤልን ሚብሳምን፡ 14ሚሽማዕን ዱማን ማሳን፡ 15ሓዳርን ቴማን፡ የጡር፡ ናፊሽ፡ ቄድማ ኸኣ። 16እዚኣቶም ደቂ እስማኤል እዮም፡ እዚ ድማ እዩ ስሞም በብዓዶም፡ በብሰፈሮም፡ ዓሰርተው ክልተ መሳፍንቲ ነንህዝቦም። 17ዓመታት ህይወት እስማኤል ድማ ሚእትን ሰላሳን ሾብዓተን ዓመት ኰነ። ትንፋሱ ወጸት እሞ ሞተ፡ ናብ ህዝቡ ኸኣ ተኣከበ። 18ካብ ሓዊላ ኽሳዕ እታ ኣብ መንጽር ግብጺ ዘሎ ሹር፡ በታ ንኣሶር እተእቱ፡ ሰፊሮም ነበሩ። ኣብ መንጽር ኵሎም ኣሕዋቱ ሰፈረ።
19ወለዶ ይስሃቅ፡ ወዲ ኣብርሃም፡ ድማ እዚ እዩ፡ ኣብርሃም ንይስሃቅ ወለደ፡ 20ይስሃቅ ድማ ንርብቃ፡ ጓል ቤቱኤል እቲ ሶርያዊ በዓል ጳዳን-ኣራም፡ ሓብቲ ላባን እቲ ሶርያዊ፡ ንሰበይቱ ኸእትዋ ኸሎ፡ ወዲ ኣርብዓ ዓመት ኰይኑ ነበረ። 21ይስሃቅ ድማ፡ ሰበይቱ ርብቃ መኻን ነበረት እሞ፡ ምእንትኣ ንእግዚኣብሄር ለመነ። እግዚኣብሄር ከኣ ተለመኖ፡ ሰበይቱ ርብቃ ድማ ጠነሰት። 22እቶም ቈልዑ ኸኣ ኣብ ማሕጸና ይዳፋፍኡ ነበሩ። ሽዑ ንሳ፡ ከምዚ ኻብ ኰነ ደኣ፡ ንምንታይ እነብር ኣሎኹ፧ በለት። ንእግዚኣብሄር ክትሓትት ድማ ኸደት። 23እግዚኣብሄር ከኣ በላ፡ ኣብ ማሕጸንኪ ኽልተ ህዝቢ ኣለዉ፡ ካብ ከርስኺውን ክልተ ህዝቢ ኽፋላለዩ እዮም። እቲ ሓደ ህዝቢ ኻብቲ ኻልኣይ ህዝቢ ኽብርትዕ እዩ። እቲ ዓብዪ ነቲ ንእሽቶ ኽግዛእ እዩ። 24ክትወልድ ኣዋርሓ ምስ በጽሐ ድማ፡ እንሆ፡ ኣብ ማሕጸና ማንታ ነበሩ። 25እቲ ቕድም ዝወጸ ቐይሕ፡ ኵለንትናኡ ኸኣ ጸጕሪ ማቕ ዝመስል ነበረ። ስሙ ኸኣ ኤሳው ኣውጽኡሉ። 26ድሕርዚ ድማ ሓዉ ወጸ፡ ኢዱ ኸኣ ኵርዅረ ኤሳው ሒዛ ነበረት፡ ስሙ ድማ ያእቆብ ተባህለ። ንሳ ኽትወልዶም ከላ ኸኣ፡ ይስሃቅ ወዲ ስሳ ዓመት ኰይኑ ነበረ። 27እቶም ቈልዑ ድማ ዓበዩ። ኤሳው ሃድን ዝፈልጥ ሰብኣይ መሮር ኰነ። ያእቆብ ከኣ ኣብ ድንኳን ዝነብር ህዱእ ሰብኣይ ኰነ። 28ይስሃቅ፡ ስጋ ሃድን መቂርዎ ነበረ እሞ፡ ንኤሳው ይፈቱ ነበረ። ርብቃ ግና ንያእቆብ ትፈቱ ነበረት። 29ያእቆብ ጸብሒ ኽሰርሕ ከሎ፡ ኤሳው ደኺሙ ኻብ መሮር ኣተወ። 30ሽዑ ኤሳው ንያእቆብ፡ ደኺመ እየ እሞ፡ በጃኻ ካብዚ ቐይሕ ጸብሒ ኣብልዓኒ፡ በሎ። ስለዚ ስሙ ኤዶም ተባህለ። 31ያእቆብ ከኣ፡ ሎሚ ብዅርናኻ ሽጠለይ፡ በሎ። 32ኤሳው ድማ፡ እንሆ፡ ኣነ ኽመውት ኢለ ኣሎኹ፡ እዛ ብዅርናኸ ንምንታይ እያ፧ በለ። 33ያእቆብ ከኣ፡ ሎሚ ምሓለለይ፡ በለ እሞ መሓለሉ፡ ብዅርናኡውን ንያቆብ ሸጠሉ። 34ያእቆብ ድማ ንኤሳው እንጌራን ጸብሒ ብርስንን ገይሩ ሃቦ። ንሱ ድማ በሊዑን ሰትዩን ተንስአ ከደውን። ኤሳው ንብዅርናኡ ኸምዚ ገይሩ ነዓቓ።

   ዘፍጥረት  ምዕራፍ 26            
   1ብጀካ እቲ ቐዳማይ ብዘበን ኣብርሃም ዝዀነ ጥሜት ኣብታ ሃገር ካልእ ጥሜት ድማ ዀነ። ይስሃቅ ከኣ ናብ ኣቢሜለክ፡ ንጉስ ፍልስጥኤማውያን፡ ናብ ጌራር ከደ። 2እግዚኣብሄር ድማ ተራእዮ በሎውን፡ ናብ ግብጺ ኣይትውረድ፡ ኣብታ ኣነ ዝብለካ ምድሪ ደኣ ተቐመጥ። 3እዛ ዅላ ሃገር ንኣኻን ንዘርእኻን ክህበካ እየ እሞ፡ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ስደተኛ ዄንካ ተቐመጥ። ኣነ ኸኣ ምሳኻ ክኸውንን ክባርኸካን እየ። እቲ ነቦኻ ኣብርሃም ዝመሓልኩሉ ማሕላ ድማ ከቝሞ እየ። 4-5ኣብርሃም ቃለይ ስለ ዝሰምዐ፡ እቲ ሓልዎ ኢለ ዝኣዘዝክዎ፡ ትእዛዛተይን፡ ስርዓታተይን ሕጋጋተይን ድማ ስለ ዝሓለወ፡ ንዘርእኻ ከም ከዋኽብቲ ሰማይ ከብዝሖ እየ፡ ህዝብታት ኵላ ምድሪ ድማ ብዘርእኻ ክባረኹ እዮም። 6ይስሃቅ ከኣ ኣብ ጌራር ተቕመጠ።
7ሰብ እታ ቦታ ድማ ብዛዕባ ሰበይቱ ሓተትዎ። ንሳ ሓብተይ እያ፡ በለ። ትርኢታ ጽቡቕ ነበረ እሞ፡ ደቂ እዛ ቦታ እዚኣ ብዛዕባ ርብቃ ኸይቀትሉኒ ኢሉ፡ ሰበይተይ እያ ምባል ፈርሀ። 8ኰነ ኸኣ፡ ሓያሎ ወርሓት ኣብኡ ምስ ተቐመጠ፡ ኣቢሜለክ፡ ንጉስ ፍልስጥኤማያን፡ ብመስኰት ክጥምት ከሎ፡ እንሆ ድማ ይስሃቅ ምስ ሰበይቱ ርብቃ ክስሓቕ ረኣዮ። 9ኣቢሜለክ ከኣ ንይስሃቅ ጸዊዑ፡ እንሆ ርግጽ ሰበይትኻ እያ፡ ከመይ ደኣ፡ ንሳ ሓብተይ እያ፡ዝበልካኒ፧ በሎ። ይስሃቅ ከኣ፡ ብዛዕባኣ ኸይመውት ኢለ፡ በሎ። 10ኣቢሜለክ ድማ፡ እዚ ዝገበርካና እንታይ እዩ፧ ሓደ ኻብ ህዝቢ ምስ ሰበይትኻ ኽድቅስ ቀሪቡ ነይሩ እዩ እሞ በደል መምጻእካልና ኔርካ፡ በለ። 11ኣቢሜለክ ከኣ ንዅሉ ህዝቢ፡ ነዚ ሰብኣይዚ ወይ ንሰበይቱ ዝተንከየ፡ ሞት ክመውት እዩ፡ ኢሉ ኣዘዘ።
12ይስሃቅ ድማ ኣብታ ምድሪ እቲኣ ዘርአ፡ በታ ዓመት እቲኣ፡ ኸኣ ሚእቲ ኻዕበት ረኸበ። እግዚኣብሄር ድማ ባረኾ። 13እቲ ሰብኣይ እቲ ኸኣ ዓበየ፡ ኣዝዩ ኽሳዕ ዝዓዝዝ ድማ እናወሰኸ ኸደ። 14ጥሪት ኣባጊዕን ጥሪት ኣሓን ብዙሓት ግዙኣትን ነበርዎ። ፍልስጥኤማውያን ድማ ቀንኡሉ። 15ሽዑ ፍልስጥኤማያን፡ ነቲ ግዙኣት ኣቦኡ ብዘበን ኣቦኡ እብርሃም ዝዀዓትዎ ዅሉ ዔላታት ደበይዎ፡ ሓመድ ከኣ መልእዎ። 16ኣቢሜለክ ድማ ንይስሃቅ፡ ካባና ኣዚኻ ሓይልካ ኢኻ እሞ፡ ካባና ኺድ፡ በሎ። 17ይስሃቅ ከኣ ካብኡ ኸይዱ ኣብ ለሰ ጌራር ሰፈረ፡ ኣብኡ ኸኣ ተቐመጠ። 18ነቲ ብዘበን ኣቦኡ ኣብርሃም ዝዀዓትዎ ዔላታት ማይ ድማ፡ ፍልስጥኤማውያን ድሕሪ ሞት ኣብርሃም ዝደበይዎ፡ ይስሃቅ መሊሱ ዀዓቶ፡ ስሙ ድማ በቲ ኣቦኡ ዘውጽኣሉ ስም ሰመዮ።
19ግዙኣት ይስሃቅ ድማ ኣብቲ ለሰ ዀዓቱ፡ ኣብኡ ኸኣ ፈልፋሊ ዔላ ማይ ረኸቡ። 20ጓሶት ጌራር ከኣ ምስ ጓሶት ይስሃቅ፡ እዚ ማይና እዩ፡ኢሎም ተበኣሱ። ምስኡ ስለ እተበኣሱ ድማ፡ ስም እቲ ዔላ ዔሰቅ ኣውጽኣሉ። 21ካልእ ዔላ ኸኣ ኰዓቱ፡ ብዛዕባኡውን ተበኣሱ እሞ ስሙ ሲጥና ኣውጽኣሉ። 22ካብኡ ድማ ገዓዘ፡ ካልእ ዔላውን ኰዓተ፡ ብዛዕባኡ ግና ኣይተበኣሱን፡ ሕጅስ እግዚኣብሄር ኣርሒቡልና እዩ እሞ፡ ኣብዚ ሃገር ክንፋረ ኢና፡ ኢሉ ኸኣ ስሙ ረሓቦት ኣውጽኣሉ። 23ካብኡ ኸኣ ንብኤር-ሸባዕ ደየበ። 24በታ ለይቲ እቲኣ ድማ እግዚኣብሄር ተራእዮ፡ ኣነ ኣምላኽ ኣቦኻ ኣብርሃም እየ፡ ኣነ ምሳኻ እየ እሞ፡ ኣይትፍራህ፡ ምእንቲ ኣብርሃም ባርያይ ኢለ ድማ ክባርኸካ፡ ንዘርእኻውን ከብዝሖ እየ፡ በሎ። 25ኣብኡ መሰውኢ ሰሪሑ ኸኣ፡ ብስም እግዚኣብሄር ተማህለለ፡ ኣብኡውን ድንኳኑ ተኸለ። ግዙኣት ይስሃቅ ድማ ኣብኡ ዔላ ዀዓቱ።
26ኣቢሜለክ ድማ ምስ ኣሑዛት ፈታዊኡን፡ ፊኮል ሓለቓ ሰራዊቱን፡ ካብ ጌራር ናብኡ ኸደ። 27ይስሃቅ ከኣ፡ ጸሊእኩምንስ ካባኻትኩም ከኣ ሰጕጕኩምኒ፡ ንምንታይ ደኣ መጻእኩምኒ፧ በሎም። 28-29ንሳቶም ድማ በሉ፡ እግዚኣብሄር ምሳኻ ኸም ዘሎ፡ ኣርጊጽና ርኢና ኢና እሞ፡ ከምቲ ንሕና ዘይተንከናካ፡ ጽቡቕ ጥራይ ከም ዝገበርናልካ፡ ብሰላም ድማ ኣፋኖናካ፡ ንስኻ ድማ ንኣና ኽፉእ ከይትገብረና፡ ንሕናን ንስኻን ንሓድሕድና ንማሓሓል ምሳኻ ኸኣ ኪዳን ንእቶ፡ በልና። ሕጂ ንስኻ ናይ እግዚኣብሄር ብሩኽ ኢኻ። 30ንሱ ኸኣ ምሳሕ ገበረሎም፡ እሞ በልዑን ሰተዩን። 31ንጽብሒቱ ንግሆ ተንሲኦም ድማ ንሓድሕዶም ተማሓሓሉ፡ ይስሃቅ ከኣ ኣፋነዎም፡ ካብኦም ድማ ብሰላም ከዱ። 32ኰነ ኸኣ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ግዙኣት ይስሃቅ መጺኦም፡ ብዛዕባ እቲ ዝዀዓትዎ ዔላ፡ ማይ ረኺብናሉ፡ ኢሎም ነገርዎ። 33ንሱ ድማ ንእኡ ሺብዓ ኢሉ ኣውጽኣሉ። ስለዚ ስም እታ ኸተማ ኽሳዕ ሎሚ ብኤር-ሸባዕ እዩ።
34ኤሳው ወዲ ኣርብዓ ዓመት ምስ ኰነ ድማ፡ ንይሁዲት ጓል ብኤሪ ሔታውን ንበስማት ጓል ኤሎን ሔታውን ኣንስቲ ኣእተወ። 35እዚኣተን ከኣ ንይስሃቅን ንርብቃን ጓሂ ልቢ ዀናኦም።

   ዘፍጥረት  ምዕራፍ 27            
   1ኰነ ድማ፡ ይስሃቅ ኣሪጉ ኣዒንቱ ጽልግልግ ኢለን ምርኣይ ምስ ሰኣና፡ ንኤሳው ነቲ ዓብዪ ወዱ ጸዊዑ፡ ኣታ ወደይ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ እኔኹ፡ በሎ። 2ሽዑ ንሱ፡ እንሆ፡ ሕጂ ኣሪገ እየ፡ መዓልቲ ሞተይ ድማ ኣይፈልጥን እየ። 3ሕጂ በጃኻ መሳርያኻ፡ ጕልድባኻን ቀስትኻን፡ ውሰድ እሞ ንመሮር ወፊርካ፡ ሃዲንካ ኣምጽኣለይ፡ 4ከይሞትኩ ነፍሰይ ምእንቲ ክትምርቐካስ ኣነ፡ ዝፈትዎ ጥዑም ብልዒ ኽበልዕ፡ ሰሪሕካ ኣምጽኣለይ፡ በለ።
5ርብቃ ኸኣ ይስሃቅ ንወዱ ኤሳው ክዛረቦ ኸሎ ሰምዐት። ኤሳው ድማ ሃዲኑ ኸምጽእ ናብ መሮር ወፈረ። 6-7ርብቃ ኸኣ ንወዳ ያእቆብ ከምዚ ኢላ ተዛረበቶ፡ እንሆ፡ ኣቦኻ ንሓውካ ኤሳው፡ በሊዐ ቕድሚ ሞተይ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክምርቐካስ፡ ሃዲንካ ጥዑም ብልዒ ጌርካ ኣምጽኣለይ፡ ኢሉ ኽዛረቦ ሰሚዐዮ ኣሎኹ። 8ሕጂ ድማ ወደየ፡ ከምቲ ኣነ ዝእዝዘካ ቓለይ ስማዕ። 9ናብተን መጓሰ ኼድካ፡ ካብኡ ኽልተ ጽቡቓት መሓስእ ኣምጽኣለይ። ኣነ ኸኣ ንኣታተን ከምቲ ኣቦኻ ዝፈትዎ ጥዑም ብልዒ ገይረ ኽሰርሓሉ። 10ንሱ ድማ በሊዑ፡ ቅድሚ ሞቱ ምእንቲ ኽምርቐካስ፡ ነቦኻ ኸተእትወሉ። 11ያእቆብ ከኣ ነዲኡ ርብቃ፡ እንሆ፡ ሓወይ ኤሳው ጸጓር ሰብኣይ እዩ፡ ኣነ ግና ልሙጽ ሰብኣይ እየ። 12ምናልባሽ ኣቦይ እንተኣረምሰሰንስ፡ ኣብ ቅድሚኡ ኸም ጠባሪ ኸይከውን፡ ኣብ ልዕለይ ከኣ መርገም አምጽእ እምበር፡ ምርቓስ ኣይኰነን፡ በለ። 13ኣዲኡ ድማ፡ ወደይ፡ መርገምካስ ኣባይ ይብጻሕ፡ ቃለይ ግዳ ስማዕ፡ ኬድካ ኣምጽኣለይ፡ በለቶ።
14ከይዱ ድማ ወሰደን፡ ነዲኡውን ኣምጽኣላ፡ ኣዲኡ ኸኣ ኣቦኡ ዝፈትዎ፡ ጥዑም ብልዒ ኣዳለወት። 15ርብቃ ድማ እቲ ምሳኣ ኣብ ቤት ዝነበረ ጽቡቕ ክዳውንቲ ኤሳው፡ እቲ ዓብዪ ወዳ፡ ወሲዳ፡ ያእቆብ፡ ነቲ ንእሽቶ ወዳ፡ ከደነቶ። 16ኣብ ኣእዳዉን እብቲ ልሙጽ ክሳዱን ድማ ቘርበት እተን መሓስእ ጠምጠመትሉ። 17እቲ ጥዑም ብልዕን እቲ ዝሰንከተቶ እንጌራን ገይራ፡ ንወዳ ያእቆብ ኣብ ኢዱ ሃበቶ። 18ንሱ ኸኣ ናብ ኣቦኡ ኣትዩ፡ ኣቦየ፡ በሎ። ንሱ ድማ፡ እኔኹ ወደይ፡ መን ኢኻ ንስኻ፧ በለ። 19ያእቆብ ከኣ ነቦኡ፡ ኣነ ኤሳው በዅርኻ እየ። ከምቲ ዝበልካኒ ገይረ ኣሎኹ እሞ ነፍስኻ ምእንቲ ኽትምርቐንስ፡ ተንሲእካ ዀታ ኾፍ በል፡ ካብዚ ሃድነይ ድማ ብላዕ፡ በሎ። 20ይስሃቅ ከኣ ንወዱ፥ ከመይ ኢልካ ኽንድዚ ብቕልጡፍ ረኸብካ፡ ወደይ፧ በሎ። ንሱ ድማ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣብ ቅድመይ ኣጋባጊቡለይ፡ በለ። 21ይስሃቅ ከኣ ንያቆብ፥ ወደይ፡ ብሓቂ ንስኻ ወደይ ኤሳው እንተ ዄንካ ወይ እንተ ዘይኴንካ ኸረምስሰካስ፡ ቅረብ፡ በሎ። 22ያእቆብ ድማ ናብ ኣቦኡ ይስሃቅ ቀረበ። ኣረምሲሱ ኸኣ፡ ድምጽስ ድምጺ ያእቆብ እዩ፡ ኣእዳው ግና ኣእዳው ኤሳው፡ በለ። 23ንሱ ድማ፡ ኣእዳው ኸም ኣእዳው ኤሳው ሓው ጸጓራት ነበራ እሞ፡ ኣየለለዮን፡ መረቖ ኸኣ። 24ብሓቂዶ ንስኻ ወደይ ኤሳው ኢኻ፧ ድማ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ኣነ እየ፡ በለ። 25ነፍሰይ ምእንቲ ኽትምርቐካስ፡ ካብቲ ሃድን ወደይ ክበልዕ ኣቕርበለይ፡ ድማ በለ። ኣቕረበሉ፡ በልዐ ድማ፡ ወይኒ ውን ሃቦ እሞ ሰተየ። 26ኣቦኡ ይስሃቅ ድማ፡ ወደይ፡ ቀሪብካባ ስዓመኒ በሎ።27ቀሪቡ ሰዓሞ፡ ጨና ኽዳኑ ኣጨንዩ ኸኣ፡ ከምዚ ኢሉ መረቖ፡
እንሆ፡ መኣዛ ወደይ ከም መኣዛ እታ እግዚኣብሄር ዝባረኻ ግራት እዩ። 28ኣምላኽ ከኣ ካብ ኣውሊ ሰማይን ካብ ስብሒ ምድርን ብዙሕ ስርናይን ወይንን ይሃብካ። 29ህዝብታት ይገዝኡኻ፡ ህዝብታት ድማ ይስገዱልካ፡ ጐይታ ኣሕዋትካ ኹን፡ ደቂ እኖኻ ድማ ይስገዱልካ። ዝረግመካ ርጉም፡ ዝምርቐካ ድማ ምሩቕ ይኹን። 30ኰነ ኸኣ፡ ይስሃቅ ንያእቆብ ምርቓኡ ምስ ወድአ፡ ያእቆብ ድማ ካብ ቅድሚ ኣቦኡ ይስሃቅ ብኡብኡ ውጽእ ምስ በለ፡ ኤሳው ሓዉ ኸኣ ካብ ሃድን ኣተወ። 31ንሱውን ጥዑም ብልዒ ኣዳልዩ፡ ናብ ኣቦኡ ኣምጽኦ፡ ነቦኡ ድማ፡ ኣቦየ፡ ነፍስኻ ምእንቲ ኽትምርቐንስ፡ ተንስእ እሞ ካብቲ ሃድን ወድኻ ብላዕ፡ በሎ። 32ኣቦኡ ይስሃቅ ከኣ፡ ንስኻ መን ኢኻ፧ በሎ። ንሱ ድማ፡ ኣነ ኤሳው ቦዅሪ ወድኻ እየ፡ በለ። 33ሽዑ ይስሃቅ ኣዝዩ ብርቱዕ ስምባድ ሰምበደ እሞ፡ እቲ ሃዲኑስ ህዱን ዘምጽኣለይ፡ ኣነ ኸኣ፡ ገና ንስኻ ኸይመጻእካ፡ ካብ ኵሉ በሊዐ ዝመረቕክዎ ደኣ መን እዩ፧ ምሩቕ ድማ ክኸውን እዩ፡ በለ። 34ኤሳው ዘረባ ኣቦኡ ምስ ሰምዐ፡ ኣዝዩ ዓው ኢሉ መሪር ገዓር ገዓረ፡ ነቦኡ ኸኣ፡ ኣቦየ፡ ንኣይ ድማ መርቐኒ፡ በሎ። 35ንሱ ድማ፡ ንምርቓኻስ ሓውካ ብተንኰል መጺኡ ወሲድዎ፡ በለ። 36ኤሳው ከኣ፥ ክልተ ሳዕ ጠቢሩኒ፡ ብዅርናይ ወሰደ፡ ሕጂ ኸኣ እንሆ፡ ምርቓይ ወሰደ። ስሙዶ ግዳ ያእቆብ ኣይኰነን፧ ንኣይከ ምርቓዶ ኣየትረፍካለይን ኢኻ፧ ድማ በሎ። 37ይስሃቅ ከኣ መሊሱ ንኤሳው፡ እንሆ፡ ጐይታኻ ገበርክዎ፡ ኵሎም ኣሕዋቱ ኸኣ ግዙኣቱ ክዀኑሃብክዎ፡ ብስርናይን ወይንን ከኣ ኣጸጎኽዎ፡ ሕጂ እሞ ወደይ፡ ንኣኻ እንታይ ክገብረልካ እየ፧ በሎ። 38ኤሳው ድማ ነቦኡ፥ ኣቦየ፡ ሓንቲ ምርቓ ጥራይዶ ዀይና ዘላትካ፧ ኣቦየ፡ ንኣይ ድማ መርቐኒ ደኣ፡ በሎ። ኤሳው ከኣ ዓው ኢሉ በኸየ። 39ይስሃቅ ኣቦኡ ድማ መሊሱ በሎ፡ እንሆ ንብረትካ ብስብሒ ምድርን ብናይ ላዕሊ ኣውሊ ሰማይን ክኸውን እዩ። 40ብሴፍካ ኽትምገብ፡ ንሓውካ ድማ ኽትግዛእ ኢኻ። ክኸውን ከኣ እዩ፡ ኰለል ምስ በልካ፡ ኣርዑቱ ኻብ ክሳድካ ኽትሰብር ኢኻ።
41ኤሳው ድማ፡ ብዛዕባቲ ኣቦኡ ዝሃቦ ምርቓ፡ ንያእቆብ ጸልኦ። ኤሳው ከኣ ብልቡ፥ ነቦይ እንሓዝነሉ ቕንያት ቀሪቡ እዩ እሞ፡ ሽዑ ንያእቆብ ሓወይ ክቐትሎ እየ፡ በለ። 42ንርብቃ ድማ ዘረባ ኤሳው ዓብዪ ወዳ ነገርዋ። ነቲ ንእሽቶ ወዳ ያእቆብ ከኣ ልኢኻ ጸዊዓ፡ እንሆ፡ ኤሳው ሓውካ ብኣኻ ኽድበስ ኢሉ ክቐትለካ ይደሊ ኣሎ። 43ሕጂ ኸኣ ወደይ፡ ቃለይ ስማዕ፡ ተንስእ እሞ ናብ ሓወይ ላባን፡ ናብ ካራን ህደም። 44-45ነድሪ ሓውካ ኽሳዕ ዝምለስ፡ ኵራ ሓውካ ኻባኻ ተመሊሱ፡ እቲ ዝገበርካዮ ድማ ክሳዕ ዝርስዖ፡ ገለ መዓልትታት ምስኡ ተቐመጥ። ሽዑ ልኢኸ ኻብኡ ኸምጽኣካ እየ። ስለምንታይ ንኽልቴኹም ብሓንቲ መዓልቲ ዝስእነኩም፧ በለቶ።
46ርብቃ ኸኣ ንይስሃቅ፡ ብምኽንያት ኣዋልድ ሔት ህይወተይ ደኸመት። ያእቆብ ድማ ካብ ኣዋልድ ሔት፡ ካብ ኣዋልድ እዛ ሃገር እዚኣ፡ ከምዚኣተን ዘመሰለት ሰበይቲ ዘእቱ እንተ ዀይኑኸ፡ ስለምንታይ ኣነ ብህይወት እነብር፧ በለቶ።

   ዘፍጥረት  ምዕራፍ 28            
   1ሽዑ ይስሃቅ ንያእቆብ ጸዊዑ መረቖ፡ ከምዚ ኢሉ ድማ ኣዘዞ፥ ካብ ኣዋልድ ከነኣን ሰበይቲ ኣይተእቱ፡ 2ተንሲእካ፡ ናብ ጳዳን-ኣራም፡ ናብ እንዳ ኣቦሓጎኻ ቤቱኤል ኪድ እሞ፡ ካብኡ ኸኣ ካብ ኣዋልድ ኣኮኻ ላባን ሰበይቲ ኣእቱ። 3እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ድማ ይባርኽካን የፍሪኻን የብዝሕካን፡ ጭፍራ ህዝብታትውን ኩን። 4እዛ ተሰዲድካላ ዘሎኻ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ንኣብርሃም ዝህቦ ምድሪ ምእንቲ ኽትወርሳ፡ ንኣኻን ምሳኻ ድማ ንዘርእኻን በረኸት ኣብርሃም ይሃብካ። 5ይስሃቅ ከኣ ንያእቆብ ሰደዶ። ንሱ ድማ ናብ ጳዳን-ኣራም፡ ናብ ላባን ወዲ ቤቱኤል እቲ ሶርያዊ ሓዉ ርብቃ ኣደ ያእቆብን ኤሳውን፡ ከደ።
6ኤሳው ከኣ ይስሃቅ ንያእቆብ ከም ዝመረቖ እሞ ካብኡ ሰበይቲ ኸእቱ ድማ ናብ ጳዳን-ኣራም ከም ዝሰደዶ፡ ክምርቖ ኸሎ ኸኣ፡ ካብ ኣዋልድ ከነኣን ሰበይቲ ኣይተእቱ፡ ኢሉ ኸም ዝኣዘዞ፡ 7ያእቆብ ድማ ነቦኡን ነዲኡን ሰሚዑ ናብ ጳዳን-ኣራም ከም ዝኸደ፡ ምስ ረኣየ፡ 8ኤሳው ከኣ ኣዋልድ ከነኣን ነቦኡ ይስሃቅ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ኸም ዘጕሃያኦ ረኣየ። 9ሽዑ ኤሳው ናብ እስማኤል ከይዱ ኣብ ልዕሊ እተን ኣንስቱ ንማሓላት፡ ጓል እስማኤል ወዲ ኣብርሃም ሓብቲ ነባዮት፡ ሰበይቲ ኣእተወ።
10ያእቆብ ከኣ ካብ ብኤር-ሸባዕ ወጺኡ፡ ናብ ካራን ኣቢሉ ኸደ። 11ጸሓይ ዓሪባ ነበረት እሞ፡ ኣብ ሓንቲ ቦታ ምስ በጽሐ፡ ኣብኣ ሓደረ። ካብ ኣእማን እታ ቦታ ወሲዱ ድማ፡ ተተርኢስዋ፡ ኣብታ ቦታ ደቀሰ። 12ሓለመ ኸኣ እሞ እንሆ፡ መሳልል ኣብ ምድሪ ደው ኢሉ፡ ርእሱ ድማ ሰማይ ጠንቍሩ፡ እንሆ ኸኣ፡ መላእኽቲ ኣምላኽ ይድይቡሉን ይወርዱሉን ነበሩ። 13እንሆ ድማ፡ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊኡ ደው ኢሉ በሎ፥ ኣነ እግዚኣብሄር፡ ኣምላኽ ኣቦኻ ኣብርሃምን ኣምላኽ ይስሃቅን እየ። እዛ ንስኻ ኣብ ልዕሊኣ ደቂስካላ ዘሎኻ ምድሪ ንኣኻን ንዘርእኻን ክህባ እየ። 14ዘርእኻ ድማ ከም ሓመድ ምድሪ ክኸውን እዩ፡ ንምዕራብን ንምብራቕን ንሰሜንን ንደቡብን ክትሰፍሕ ኢኻ። ኵሎም ዓሌታት ምድሪ ኸኣ ብኣኻን ዘርእኻን ክባረኹ እዮም። 15እንሆ ኸኣ፡ ኣነ ምሳኻ እየ፡ እቲ ዝበልኩኻ ኽሳዕ ዝገብሮ ኣይሓድገካን እየ እሞ፡ ኣብ እትኸዶ ዅሉ ኽሕልወካ እየ፡ ናብዛ ምድሪ እዚኣ ድማ ክመልሰካ እየ።
16ያእቆብ ከኣ ካብ ድቃሱ ተባራበረ እሞ፡ ኣነ ደኣ ኣይፈለጥኩን ነይረ እምበር፡ ብሓቂ እግዚኣብሄር ኣብዛ ቦታ እዚኣኣሎ፡ በለ። 17ፈሪሁ ድማ፡ እዛ ቦታ እዚኣ ኽንደይ ተፍርህ እያ። እዚኣ ቤት ኣምላኽ እያ እምበር፡ ካልእ ኣይኰነትን፡ እዚኣ ኸኣ ደገ ሰማይ እያ፡ በለ። 18ያእቆብ ድማ ንጽብሒቱ ኣንጊሁ ተንስአ፡ ነቲ ኣብኣ ተተርኢስዎ ዝነበረ እምኒ ወሲዱ ሓወልቲ ክኸውን ኣቘሞ፡ ኣብ ርእሱ ኸኣ ዘይቲ ኸዓወሉ። 19ስም እታ ቦታ እቲኣ ኸኣ ቤት-ኤል ኣውጽኣላ፡ ቀደም ግና ስም እታ ኸተማ ሉዝ ይብሃል ነበረ። 20ያእቆብ ድማ ከምዚ ኢሉ መብጽዓ ተማባጽዐ፡ እግዚኣብሄር ምሳይ እንተ ዀነ፡ ኣብዛ ዝኸዳ ዘሎኹ መገደይ ከኣ እንተ ሓለወኒ፡ ዝበልዖ እንጌራን ዝኽደኖ ኽዳንን ድማ እንተ ሃበኒ፡ 21ናብ ቤት ኣቦይውን ብደሓን እንተ ተመለስኩ፡ ሽዑ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ይኸውን። 22እዚ ሓወልቲ ገይረ ኣቝመዮ ዘሎኹ እምኒ ኸኣ ቤት ኣምላኽ ክኸውን እዩ። ካብ እትህበኒ ዘበለ ዅሉ ድማ ዕሽር ክህበካ እየ።

   ዘፍጥረት  ምዕራፍ 29            
   1ያእቆብ ድማ ንመገሻኡ ተልዒሉ ናብ ሃገር ደቂ ምብራቕ ከደ። 2ጠመተ እሞ እንሆ ኸኣ፡ ዔላ ኣብ መሮር ነበረ፡ ኣብቲ ዔላ ድማ መጓሴታት የስትዩ ነበሩ እሞ፡ እንሆ፡ ኣብኡ ሰለስተ መጓሰ ኣባጊዕ ደቂሰን ነበራ። ኣብ ኣፍ እቲ ዔላ ዝነበረ እምኒ ኸኣ ዓብዪ ነበረ። 3ንዅለን መጓሴታት ድማ ናብኡ ይእክብወን ነበሩ። ነቲ እምኒ ኻብ ኣፍ እቲ ዔላ ገምጢሎም ከኣ፡ ነተን ኣባጊዕ የስትይወን ነበሩ፡ ነቲ እምኒ ድማ ናብ ኣፍ እቲ ዔላ ኣብ ቦታኡ ይመልስዎ ነበሩ። 4ያእቆብ ከኣ፡ ኣቱም ኣሕዋተይ፡ ካበይ ኢኹም፧ በሎም። ካብ ካራን ኢና፡ በልዎ። 5ንሱ ድማ፡ ንላባን ወዲ ናሆርዶ ትፈልጥዎ ኢኹም፧ በሎም። እወ ንፈልጦ፡ በሉ። 6ደሓንዶ ኣሎ፧ ከኣ በሎም። ደሓን ኣሎ፡ ራሄል ጓሉ እኳ እንሃ፡ ምስተን ኣባጊዕ ትመጽእ ኣላ፡ በሉ። 7ንሱ ኸኣ፡ እንሆ፡ መዓልቲ ገና ነዋሕ ኣላ፡ ከብቲ ዝእከባላ ግዜ ኣይኰነትን። ነዘን ኣባጊዕ ኣስትይወን እሞ ኬድኩም ኣብልዕወን፡ በሎም። 8ንሳቶም ድማ፡ ኵለን መጓሴታት ከይተኣከባ፡ ነቲ እምኒ ኸኣ ካብ ኣፍ እቲ ዔላ ኸይገልበጥዎ፡ ኣይንኽእልን፡ ሽዑ ነተን ኣባጊዕ ነስትየን በሉ። 9ራሄል ባዕላ ትጓሲ ነበረት እሞ፡ ንሱ ገና ምሳታቶም ክዛረብ ከሎ፡ እንሃ፡ ምስ ኣባጊዕ ኣቦኣ መጸት። 10ኰነ ኸኣ፡ ያእቆብ ንራሄል ጓል ላባን ኣኮኡን ነባጊዕ ኣኮኡ ላባንን ምስ ረኣየ፡ ቀሪቡ ነቲ እምኒ ኻብ ኣፍ እቲ ዔላ ገልበጦ፡ ነባጊዕ ኣኮኡ ላባን ድማ ኣስተየን። 11ያእቆብ ከኣ ንራሄል ሰዓማ፡ ቃሉ ዓው ኣቢሉውን በኸየ። 12ያእቆብ ድማ ንራሄል፡ ንሱ ዘመድ ኣቦኣ፡ ወዲ ርብቃ፡ ምዃኑ ነገራ። ንሳ ኸኣ ጐይያ ነቦኣ ነገረቶ። 13ኰነ ኸኣ፡ ላባን ወረ ያእቆብ ወዲ ሓብቱ ምስ ሰምዐ፡ ክቕበሎ ጐየየ፡ ሓቝፉ ሰዓሞ፡ ናብ ቤቱ ድማ ኣእተዎ። እዚ ነገርዚ ዅሉውን ንላባን ነገሮ። 14ላባን ከኣ፥ ብሓቂ ንስኻ ዓጽመ ስጋይ ኢኻ፡ በሎ። ወርሒ ዝኣክልውን ምስኡ ተቐመጠ።
15ላባን ድማ ንያእቆብ፡ ሓወይ ክንዲ ዝዀንካዶ ብኸምኡ ኽትግዝኣኒ፧ ዓስብኻ ደኣ እንታይ ምዃኑ ንገረኒ፡ በሎ። 16ላባን ከኣ ኽልተ ኣዋልድ ነበራኦ፡ ስም እታ ዓባይ ልያ፡ ስም እታ ንእሽቶ ኸኣ ራሄል ነበረ። 17ኣዒንቲ ልያ ጨምጫማት ነበራ፡ ራሂል ግና መልክዐኛ፡ ትርኢታውን ውቅብቲ ነበረት። 18ያእቆብ ድማ ንራሄል ፈተዋ እሞ፡ ምእንቲ ራሄል፡ እታ ንእሽቶ ጓልካ፡ ሾብዓተ ዓመት እግዝኣካ፡ በለ። 19ላባን ከኣ ንኻልእ ሰብኣይ ካብ ዝህባ፡ ንኣኻ ኽህባ ይሓይሽ፡ ምሳይ ተቐመጥ፡ በሎ። 20ያእቆብ ከኣ ምእንቲ ራሄል ሾብዓተ ዓመት ተገዝአ፡ ንእኣ ብምፍታው ከኣ ከም ሒዶት መዓልቲ ዀይነን ተራእያኦ። 21ያእቆብ ከኣ ንላባን፡ መዓልትታተይ በጺሐን እየን እሞ፡ ከእትዋ ሰበይተይ ሃበኒ፡ በሎ። 22ሽዑ ላባን፡ ንዅሎም ሰብ እታ ቦታ ኣኪቡ ምሳሕ ገበረ። 23ምሸት ምስ ኰነ ድማ ልያ ጓሉ ወሲዱ፡ ናብኡ ኣእተዋ፡ ንሱ ኸኣ ናብኣ ኣተወ። 24ላባን ድማ ንልያ ጓሉ፡ ግዝእቲ ኽትኰና፡ ዚልጳ ግዝእቱ ሃባ። 25ኰነ ድማ፡ ንጽብሒቱ እንሃ፡ ንሳ ልያ ነበረት። ንላባን ከኣ፡ እንታይ እዩ ዝገበርካኒ፧ ምእንቲ ራሄልዶ ኣይኰንኩን እተገዛእኩኻ፧ ስለምንታይ ደኣ ጠበርካኒ፧ በሎ። 26ላባን ድማ፡ ኣብ ሃገርና ንእሽቶ ቕድሚ እታ በዅሪ ምሃብ፡ ከምኡ ኣይግበርን እዩ። 27ናይ እዚኣ ሰሙን መልእ እሞ ስለ እቲ ኸም ብሓድሽ ምሳይ ካልእ ሾብዓተ ዓመት እትግዝኦ መግዛእቲ፡ እቲኣ ድማ ንህበካ፡ በለ። 28ያእቆብ ከኣ ከምኡ ገበረ፡ ናይ እዚኣ ሰሙን መልአ። ደሓር ራሄል ጓሉ ሰበይቲ ኽትኰኖ ሃቦ። 29ላባን ድማ ንራሄል ጓሉ፡ ግዝእቲ ኽትኰና፡ ቢልሃ ግዝእቱ ሃባ። 30ናብ ራሄል ድማ ኣተወ፡ ንራሄል ከኣ ሓለፋ ልያ ፈተዋ። መሊሱ ድማ ካልእ ሾብዓተ ዓመት ምስኡ ተገዝአ።
31እግዚኣብሄር ከኣ ልያ ኸም እተጸልአት ርእዩ፡ ማሕጸና ኸፈተላ። ራሄል ግና መኻን ነበረት። 32ልያ ድማ ጠነሰት ወዲውን ወለደት። እግዚኣብሄር መከራይ ርእዩ እዩ እሞ፡ ሕጅስ ሰብኣየይ ክፈትወኒ እዩ፡ ኢላ ስሙ ሮቤል ኣውጽኣትሉ። 33መሊሳ ኸኣ ጠነሰት ወዲውን ወለደት፡ እግዚኣብሄር ከም ዝተጸላእኩ ሰሚዑ እዩ እሞ፡ እዚ ድማ ሃበኒ፡ ኢላ ስሙ ስምኦን ኣውጽኣትሉ። 34መሊሳ ኸኣ ጠነሰት ወዲውን ወለደት፡ ሰለስተ ወዲ ወሊደሉ እየ እሞ፡ ሕጅስ ሰብኣየይ ኣባይ ክለግብ እዩ፡ በለት። ስለዚ ስሙ ሌዊ ተባህለ። 35መሊሳ ኸኣ ጠነሰት ወዲውን ወለደት፡ ሕጂ ንእግዚኣብሄርአመስግኖ፡ በለት። ስለዚ ስሙ ይሁዳ ኣውጽኣትሉ። ካብ ምላድ ከኣ ኣቋረጸት።

   ዘፍጥረት  ምዕራፍ 30 
   1ራሄል ድማ ንያእቆብ ከምዘይወለደትሉ ምስ ረኣየት፡ ንሓብታ ቐንኣትላ፡ ንያእቆብ ከኣ፡ ውሉድ ሃበኒ፡ እንተ ዘይኰነስ እመውት ኣለኹ፡ በለቶ። 2ሽዑ ዅራ ያእቆብ ኣብ ራሄል ነዲዱ፡ ኣነዶ ኣብ ክንዲ እቲ ፍረ ኸርሲ ዝኸልኣኪ ኣምላኽ እየ፧ በላ። 3ንሳ ኸኣ፥ እንሃ፡ ቢልሃ ግዝእተይ፡ ንሳ ኣብ ብርከይ ክትወልድ፡ ብእኣ ድማ ኣነ ኽፋረ፡ ናብኣ እቶ፡ በለት። 4ንቢልሃ ግዝእታ ኸኣ ሰበይቱ ኽትከውን ሃበቶ። ያእቆብ ድማ ኣእተዋ። 5ቢልሃ ጠነሰት፡ ንይእቆብ ድማ ወዲ ወለደትሉ። 6ሽዑ ራሄል፡ ኣምላኽ ፍትሒ ኣውጺኡለይ፡ ቃለይ ሰሚዑውን ወዲ ሂቡኒ፡ በለት። ስለዚ ስሙ ዳን ኣጽኣትሉ። 7ቢልሃ ግዝእቲ ራሄል ከኣ መሊሳ ጠነሰት፡ ንያእቆብ ካልኣይ ወዲ ወለደትሉ። 8ሽዑ ራሄል፡ ቅልስ ኣምላኽ ምስ ሓብተይ ተቓሊሰ ሓየልኩ፡ በለት። ስሙ ኸኣ ንፍታሌም ኣውጽኣትሉ።
9ልያ ኸኣ ካብ ምላድ ከም ዘቛረጸት ምስ ረኣየት፡ ዚልጳ ግዝእታ ወሲዳ፡ ንያእቆብ ሰበይቱ ኽትከውን ሃበቶ። 10ዚልጳ ግዝእቲ ልያ ድማ ንያእቆብ ወዲ ወለደትሉ። 11ሽዑ ልያ፡ ኣሰይ፡ ኢላ ስሙ ጋድ ኣውጽኣትሉ። 12ዚልጳ ግዝእቲ ልያ ንያእቆብ ካልኣይ ወዲ ድማ ወለደትሉ። 13ልያ ኸኣ፡ ርሕስቲ ዀይነ እየ እሞ፡ ኣዋልድ ብራሕሰይ ይውድሳኒ፡ በለት። ስሙ ድማ ኣሴር ኣውጽኣትሉ።
14ሮቤል ድማ በቲ ስርናይ ዝዓጽደሉ ወርሓት ከይዱ ኣብ መሮር ምልዖ ረኸበ፡ ናብ ኣዲኡ ልያ ኣምጽኦ። ሽዑ ራሄል ንልያ፥ ካብዚ ምልዖ ወድኺ ዀታ ሃብኒ፡ በለታ። 15ንሳ ኸኣ፡ ሰብኣየይ ዝወሰድክለይዶ ንእሽቶ ነገር እዩ፧ ምልዖ ወደይ እንዶ ድማ ክትወስዲ፧ በለታ። ራሄል ከኣ፡ እሞ ኣብ ክንዲ ምልዖ ወድኺ እዛ ለይቲ እዚኣ ምሳኺ ይደቅስ፡ በለት። 16ምሸት ያእቆብ ካብ መሮር ክኣቱ ኸሎ ድማ፡ ልያ ኽትቅበሎ ወጺኣ፡ ብምልዖ ወደይ ዓዲገካ እየ እሞ፡ ናባይ ኢኻ እትኣቱ፡ በለቶ፡ በታ ለይቲ እቲኣ ኸኣ ምስኣ ደቀሰ። 17ኣምላኽ ድማ ንልያ ሰምዓ፡ ጠነሰት፡ ንያእቆብ ከኣ ሓምሳይ ወዲ ወለደትሉ። 18ልያ ድማ፡ ግዝእተይ ንሰብኣየይ ክንዲ ዝሃብኩ፡ ኣምላኽ ዓስበይ ሃበኒ፡ በለት። ስሙ ኸኣ ይሳኮር ኣውጽኣትሉ። 19ልያ ድማ መሊሳ ጠነሰት፡ ንያእቆብ ከኣ ሳድሳይ ወዲ ወለደትሉ። 20ልያ ድማ፡ ኣምላኽ ጽቡቕ ህያብ ሂቡኒ፡ ሕጂ ሹድሽተ ወዲ ወሊደሉ እየ እሞ፡ ደጊም ሰብኣየይ ምሳይ ክነብር እዩ፡ በለት። ስሙ ኸኣ ዛብሎን ኣውጽኣትሉ። 21ድሕርዚ ድማ ጓል ወለደት፡ ስማ ኸኣ ዲና ኣውጽኣትላ።
22ኣምላኽ ድማ ንራሄል ዘከራ። ኣምላኽ ሰምዓ እሞ ማሕጸና ኸፈተላ። 23ንሳ ድማ ጠነሰት ወዲውን ወለደት፥ ኣምላኽ ሕስራነይ ኣርሓቐ፡ ከኣ በለት። 24እግዚኣብሄር ካልእ ወዲ ድማ ይወስኸኒ፡ ኢላ ኸኣ ስሙ ዮሴፍ ኣውጽኣትሉ።
25ኰነ ኸኣ፡ ራሄል ንዮሴፍ ምስ ወለደት፡ ያእቆብ ንላባን፥ ናብ ቦታይን ናብ ምድረይን ክኸይድ ኣሳናብተኒ። 26እተን ብዛዕባአን እተገዛእኩኻ ኣንስተይን ደቀይን ሃበኒ። እቲ እተገዛእኩኻ መግዛእቲ ባዕልኻ ትፈልጦ ኢኻ እሞ፡ እኺድ ሕደገኒ፡ በሎ። 27ላባን ድማ፥ ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ እንተ ረኺበስ፡ እግዚኣብሄር ምእንታኻ ኢሉ ኸም ዝባረኸኒ ኣስተውዒለ ኣሎኹ፡ በሎ። 28ዓስብኻ ቝጸረለይ እሞ እህበካ፡ ድማ በለ። 29ንሱ ኸኣ፥ ከመይ ከም ዘገልገልኩኻን ከብትኻውን ምሳይ ከመይ ከም ዝዀናን፡ ባዕልኻ ትፈልጥ ኢኻ። 30ኣነ ኸይመጻእኩ ሒደት ነበራኻ፡ ሕጂ ግና ኣነ ኣብ ዝኸድክዎ ዅሉ እግዚኣብሄር ባሪኹካ እዩ እሞ፡ ኣዝየን በዝሓ። ሕጂ ኸኣ ንቤተይ ደኣ ምኣዝ ከምህዝ እየ፧ በሎ። 31ንሱ ድማ፥ እንታይ እሞ ኽህበካ፧ በለ። ያእቆብ ከኣ፥ ገለኳ ኣይትሃበኒ። እዚ ነገርዚ እንተ ትገብረለይ መሊሰ ነባጊዕካ እጓስየን እከናኸነንውን። 32ሎሚ ብዅለን መጓሴኻ ኽሓልፍ እየ፡ ካብኡ ኸኣ ኵለን ጸነጺትን ዓምቦሬታትን ኵለን ጸለምትን ኣባጊዕ፡ ካብ ኣጣል ድማ ቡረቴታትን ጸነጺትን ዘበላ ኽፈሊ እየ እሞ ዓስበይ ይኹና። 33ድሕሪ ሎሚ ድማ ብዛዕባ ዓስበይ ምስ እትመጽእ፡ ሽዑ ቕንዕናይ ኣብ ቅድሜኻ ኽምስክረለይ እዩ። ጸነጺትን ቡረቴታትን ዘይኰና ኣጣል፡ ጸለምቲ ዘይኰና ኣባጊዕ ከኣ ኣባይ እንተ ተረኽባ፡ ስሩቓት እየን፡ በለ። 34ላባን ከኣ፡ ሕራይ፡ ከምቲ ዘረባኻ ይኹን፡ በለ። 35በታ መዓልቲ እቲኣ እቶም ዑፌታትን ቡረቴታትን ወጣጡ፡ ኵለን ቡረቴታትን ጸነጺትን ኣጣል፡ ገለ ጻዕዳ ዘለወን ኵለን፡ ካብ ኣባጊዕ ድማ ኵለን ጸለምቲ ፈልዩ፡ ኣብ ኢድ ደቁ ሃቦም። 36ኣብ መንጎኡን ኣብ መንጎ ያእቆብን ከኣ መገዲ ሰለስተ መዓልቲ ኣርሓሓቐ። ያእቆብ ድማ ነተን ዝተረፋ መጓሰ ላባን ይጓሲ ነበረ።
37ያእቆብ ከኣ ክርዋሕን ሉዝን ሑዳን ካብ ዝብሃል ኣእዋም ጥሉል ኣባትር ወሲዱ፡ ኣብኡ ቕላጥ ቀሊጡ ነቲ ኣባትር ዕሮርባይ ገበሮ። 38ነቲ ዕሮርባይ ዝገበሮ ኣባትር ድማ ኣብቲ እተን መጓሴታት መጺአን ዝሰትያሉ ዛራ ማይ ዘሎ ጋብላታት፡ ኣብ ቅድሚ እተን መጓሰ ገበሮ እሞ፡ ክሰትያ ምስ መጻ፡ ይትለዋ ነበራ። 39እተን መጓሰ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣባትር ተተልዋ እሞ እተን መጓሴታት ዑፌታትን ጸነጺትን ዓምቦሬታትን ወለዳ። 40ሽዑ ያእቆብ ነተን ዕያውቲ ፈልዩ፡ ገጽ እተን መጓሰ ናብተን ዑፌታትን ኵለን ጸለምትን ኣብ መጓሰ ላባን ገበረ፡ ንመጓሴኡ ኸኣ ምስ መጓሰ ላባን ኣይሓወሰንን፡ ንበይነን ደኣ ገበረን። 41ኰነ ድማ፡ በቲ እተን ጽዓኛታት ኣባጊዕ ዝትለዋሉ ዘበለ ግዜ ኣብ ጥቓ እቲ ኣባትር ምእንቲ ኽትለዋስ፡ ያእቆብ ነቲ ኣባትር ኣብቲ ጋብላታት ኣብ ቅድሚ እተን መጓሰ የንብሮ ነበረ። 42እተን መጓሰ ድኹማት ከለዋ ግና ኣየንብሮን ነበረ። በዚ ኸምዚ ኸኣ እተን ድኹማት ንላባን፡ እተን ድዓኛታት ከኣ ንያእቆብ ኰና። 43እቲ ሰብኣይ እቲ ድማ ኣዝዩ ሃብተመ። ብዙሓት መጓሴታት ገላዉን ኣግራድን ኣግማልን ኣእዱግን ነበሮ።

   ዘፍጥረት  ምዕራፍ 31     
   1ደቂ ላባን ድማ፡ እቲ ናይ ኣቦና ዝነበረ ዅሉ ያእቆብ ወሰዶ፡ ኵሉ እዚ ኽብረት እዚ ኸኣ ካብቲ ናይ ኣቦና ዝነበረ ንሱ ዝረኸቦ እዩ፡ ኢሎም ክዛረቡ ሰምዐ። 2ያእቆብ ድማ ገጽ ላባን ጠመተ፡ እንሆ፡ ከም ቀደሙ ምስኡ ኣይነበረን። 3እግዚኣብሄር ከኣ ንያእቆብ ናብ ምድሪ ኣቦታትካን ናብ ዓሌትካን ተመለስ እሞ ምሳኻ ክኸውን እየ፡ በሎ። 4ያእቆብ ድማ ልኢኹ ንራሄልን ንልያን ናብተን መጓሴኡ ናብ መሮር ጸውዐን፡ 5በለን ከኣ፡ ገጽ ኣቦኽን ከም ቀደሙ ምሳይ ከም ዘይኰነ፡ ኣነ እርኢ ኣለኹ፡ ኣምላኽ ኣቦይ ግና ምሳይ ነበረ። 6ነቦኽን ብምሉእ ሓይለይ ከም ዘገልገልክዎ ኸኣ፡ ባዕልኻትክን ትፈልጣ ኢኽን። 7ኣቦኽን ደኣ ዓስበይ ዓሰርተ ሳዕ እናለዋወጠ ኣታለለኒ፡ እግዚኣብሄር ግና ክፉእ ክገብረኒ ኣይፈቐደሉን። 8ንሱ፡ ዓምቦሬታት ዘበላ ዓስብኻ ይኹን፡ ምስ በለኒ፡ ኵለን መጓሰ ዓምቦሬታት ወለዳ። ዓስብኻ ዑፌታት ይኹና፡ ምስ በለ ኸኣ፡ ኵለን መጓሰ ዑፌታት ወለዳ። 9ኣምላኽ ከምዚ ገይሩ ማል ኣቦኽን ኣግዲፉ ንኣይ ሃበኒ። 10ኰነ ኸኣ፡ በቲ እተን መጓሰ ዝትለዋሉ ግዜ ዓይነይ ቋሕ እንተ ኣበልኩ ብሕልሚ ርኤኹ፡ እንሆ፡ ነተን ጤለበጊዕ ዝሰርወን ተባዕትዮ ዑፌታትን ጸነጺትን ጨቦሬታትን ነበሩ። 11መልኣኽ ኣምላኽ ድማ ብሕልሚ፡ ያእቆብ፡ በለኒ። ኣነ ኸኣ፡ እኔኹ፡ በልኩ። 12ንሱውን፡ ዓይንኻ ቛሕ ኣብል እሞ እዞም ነዘን ጤለበጊዕ ዝሰርወን ዘለዉ ዅሎም ተባዕትዮ ዑፌታትን ጸነጺትን ጨቦሬታትን ርአ። እቲ ላባን ዝገበረካ ዅሉ ርእየዮ ኣሎኹ። 13እቲ ኣብቲ ሓወልቲ ዝቐባእካሉን፡ ኣብኡ ድማ መብጽዓ እተማባጻዕካለይን ኣምላኽ ቤትኤል፡ ኣነ እየ። ሕጂ ተንስእ እሞ ካብዛ ምድሪ እዚኣ ወጺእካ ናብታ ተወለድካላ ሃገር ተመለስ፡ በለኒ። 14ራሄልን ልያን ከኣ፡ ደጊምዶ ኣብ ቤት ኣቦና ግደ ወይ ርስቲ ኣልዩና፧ 15ሸይጡና እዩ እሞ፡ ከም ጓኖትዶ ቘጺሩና ኣይኰነን፧ ነቲ ገንዘብና ድማ በልዖ። 16እቲ ኣምላኽ ካብ ኣቦና ዝወሰዶ ዅሉ ሃብቲ፡ ንሱ ናትናን ናይ ደቅናን እዩ እሞ፡ ሕጂ ኸኣ ኣምላኽ ዝበለካ ዅሉ ግበር፡ ኢለን መለሳሉ። 17ሽዑ ያእቆብ ተንሲኡ ደቁን ኣንስቱን ኣብ ኣግማል ኣወጥሐ። 18ናብ ኣቦኡ ይስሃቅ ናብ ምድሪ ኸነኣን ክኽይድ፡ ኵለን ማሉን ኵሉ ዘጥረዮ ገንዘቡን፡ እተን ኣብ ጳዳንኣራም ዘጥረየን ማሉ ወሰደ። 19ላባን ከኣ ኣባጊዑ ክቘርጽ ከይዱ ነበረ፡ ራሄል ድማ ጣኦታት ኣቦኣ ሰረቐት። 20ያእቆብ ድማ ከም ዝሃድም ንላባን፡ እቲ ሶርያዊ፡ ከይነገረ መሊቑ ኸደ። 21ዘለዎ ዅሉ ሒዙ ኸኣ ሃደመ፡ ተንሲኡ ድማ ርባ ተሳገረ፡ ገጹ ኸኣ ናብ ከረን ጊልዓድ ኣቢሉ ኣቕንዐ።
22ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኸኣ ያእቆብ ከም ዝሃደመ ንላባን ነገርዎ። 23ሽዑ ኣሕዋቱ ምስኡ ወሰደ፡ ደድሕሪኡ ድማ መገዲ ሾብዓተ መዓልቲ ሰዓቦ። ኣብ ከረን ጊልዓድ ከኣ ኣርከቦ። 24ኣምላኽ ግና ብሕልሚ ለይቲ ናብ ላባን፡ እቲ ሶርያዊ፡ መጺኡ፡ ንያእቆብ ጽቡቕ ኰነ ኽፉእ ከይትዛረቦ ተንጠንቀቕ፡ በሎ። 25ላባን ከኣ ንያእቆብ ኣርከቦ። ያእቆብ ከኣ ድንኳኑ ኣብ ከረን ተኺሉ ነበረ፡ ላባን ምስ ኣሕዋቱ ድማ ድንኳኑ ኣብ ከረን ጊልዓድ ተኸለ። 26ላባን ከኣ ንያእቆብ በሎ፡ እንታይ እዩ ዝገበርካዮ፧ ልበይ ጠቢርካዶ ነዋልደይ ብሴፍ ከም እተማረኻ ከብከብካየን፧ 27ስለምንታይ ካባይ ተሰሪቕካ፡ ከይነገርካኒ ድማ ተሓቢእካ ዝሃደምካ፧ ብሓጎስን ብመዝሙርን ብዀበሮን ብመሰንቆን መፋኖኹኻ ነይረ። 28ነወዳተይን ነዋልደይን ክስዕሞም እኳ ኣይሓደግካንን። ሕጂ እዚ ብዕሽነት ኢኻ ዝገበርካዮ። 29ክፉእ ክገብረኩም ኣብ ኢደይ ስልጣን ኣሎኒ። ኣምላኽ ኣቦኹም ግና ትማሊ ለይቲ፥ ንያእቆብ ጽቡቕ ኰነ ኽፉእ ከይትዛረቦ ተጠንቀቕ፡ ኢሉ ተዛረበኒ። 30ሕጂ ኸኣ ቤት ኣቦኻ ኣዚኻ ኻብ ናፈቕካ፡ ምኻድሲ ኼድካ፡ ስለምንታይ ደኣ ኣማልኽተይ ሰረቕካ፧ 31ያእቆብ ድማ ንላባን፡ ኣዋልድካ ብሓይሊ ኸይተግድፈኒ ኢለ ፈራህኩ። 32እቲ ኣማልኽትኻ እተረኽቦ ግና ንሱ ይሙት። ምሳይ ዘሎ ናትካ ዘበለ፡ ኣብ ቅድሚ ኣሕዋትና ጐርጕርካ፡ ንኣኻ ውሰዶ፡ ኢሉ መለሰሉ። ያእቆብ፡ ራሄል ከም ዝሰረቐቶም ኣይፈለጠን ነበረ። 33ላባን ድማ ናብ ድንኳን ያእቆብን ናብ ድንኳን ልያን ናብ ድንኳን ክልቲአን ግዙኣትን ኣተወ፡ ግናኸ ኣይረኸቦምን። ካብ ድንኳን ልያ ወጺኡ ናብ ድንኳን ራሄል ኣተወ። 34ራሄል ድማ ነቶም ጣኦታት ወሲዳ ኣብ ኰረሻ ገመል ኣንቢራ ኣብ ልዕሊኦም ኮፍ በለት። ላባን ንብድንኳኑ ጐርጐሮ፡ ኣይረኸቦምን ከኣ። 35ንሳ ኸኣ ነቦኣ፥ ጐይታይ፡ እቲ ናብ ኣንስቲ ዝኸውን መጺኡኒ እዩ እሞ፡ ኣብ ቅድሜኻ ሓፍ ክብል ኣይክእልን እየ፡ ኣይትዀርየለይ በለቶ። ንሱ ኸኣ ደለየ፡ ነቶም ጣኦታት ግና ኣይረኸቦምን።
36ሽዑ ያእቆብ ተናዲዱ ንላባን ተበኣሶ፡ ያእቆብ ንላባን መሊሱ በሎ፡ እቲ ነዲርካ ደድሕረይ ዝገስገስካስ፡ እንታይ እዩ በደለይ፧ እንታይከ እዩ ሓጢኣተይ፧ 37ሕጂ ንዅሉ ኣቕሖይ ጐርጐርካ፡ ካብ ኵሉ ኣቓሑ ቤትካ እንታይ ረኸብካ፧ ኣብ መንጎ ኽልቴና ኽፈርዱስ፡ ኣብዚ ኣብ ቅድሚ ኣሕዋተይን ኣሕዋትካን ኣምጽኣዮ። 38እዘን ዕስራ ዓመት ምሳኻ ነይረ፡ ጤለበጊዕካ ኣየቘልዓን ድዓውል መጓሴኻ ድማ ኣይበላዕኩን። 39ኣራዊት ዝሓዛ ኸኣ ኣብ ክንድኣ ባዕለይ ተካእኩልካ እምበር፡ ኣየምጻእኩልካን። መዓልቲ እተሰርቀትንን ለይቲ እተሰርቀትንን ድማ ካብ ኢደይ ትደልያ ነበርካ፡ 40ከምዚ እየ ዝነበርኩ፡ ብመዓልቲ ሃሩር ብለይቲውን ኣስሓይታ በልዓኒ፡ ድቃስ ከኣ ካብ ዓይነይ በረረ። 41እዘን ዕስራ ዓመት ኣብ ቤትካ ነበርኩ። ዓሰርተው ኣርባዕተ ዓመት ምእንቲ ኽልቲአን ኣዋልድካ፡ ሹድሽተ ዓመት ድማ ምእንቲ ኣባጊዕካ ተገዛእኩኻ፡ ዓስበይ ከኣ ዓኣሰርተ ሳዕ ለዋወጥካ። 42ኣምላኽ ኣቦይ፡ እቲ ይስሃቅ ዝፈርሆ ኣምላኽ ኣብርሃም፡ ምሳይ እንተ ዘይህሉስ፡ ብርግጽ ሕጂ ጥራይ ኢደይ ምሰደድካኒ ኔርካ። እግዚኣብሄር ግና እቲ መከራይን ድኻም ኢደይን ርእዩ፡ ትማሊ ለይቲ ገንሓካ። 43ላባን ድማ መሊሱ ንያእቆብ በሎ፡ እዘን ኣዋልድ ኣዋልደይ እየን፡ ቈልዑውን ቈለውዐይ እዮም፡ እዘን መጓሴታት ከኣ መጓሴታተይ እየን፡ እዚ እትርእዮ ዘሎኻ ዅሉ ድማ ናተይ እዩ። ሎሚ ኸኣ ነዘን ኣዋልደይ ወይ ነዞም ዝወለዳኦም ደቀን እንታይ እሞ ኽገብር፧ 44ሕጂ ድማ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ምስክር ክኸውንሲ፡ ንዓ ኣነን ንስኻን ኪዳን ንተኣታቶ።
45ያእቆብ ከኣ እምኒ ወሲዱ ሓወልቲ ክኸውን ተኸሎ። 46ያእቆብ ድማ ነሕዋቱ፡ ኣእማን ኣክቡ፡ በሎም። ንሳቶምውን ኣእማን ኣኪቦም ጨርሒ ጨርሑ፡ ኣብኡ ከኣ ኣብቲ ጨርሒ በልዑ። 47ላባን ድማ ይጋርሰሃዱታ ኣውጽኣሉ፡ ያእቆብ ከኣ ጋልዔድ ኣውጽኣሉ። 48ላባን ድማ፡ ሎሚ እዚ ጨርሒ እዚ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ምስክር ይኹን፡ በለ። ስለዚ ስሙ ጋልዔድ ተባህለ። 49ንሓድሕድና ኻብ ዘይንርእአ፡ እግዚኣብሄር ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ይፋቒ፡ ኢሉ ነበረ እሞ፡ ሚጽጳ ድማ ተባህለ። 50ነዘን ኣዋልደይ እንተ ገፋዕካየን ወይ ኣብ ልዕሊ ኣዋልደይ ካልኦት ኣንስቲ እንተ ኣእቶኻ፡ ምሳና ሰብ የልቦን፡ ርአ፡ እግዚኣብሄር ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ምስክር እዩ። 51ላባን ድማ መሊሱ ንያእቆብ በሎ፡ እንሆ እዚ ጨርሒ፡ እንሆ እቲ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ዝተኸልክዎ ሓወልቲ ድማ፡ 52ኣነ ነዚ ጨርሒ እዚ ኸይሓልፈካ፡ ንስኻውን ነዚ ጨርሒ እዝን ነዚ ሓወልቲ እዝን ንኽፍኣት ከይትሓልፈኒ፡ ነዚ ጨርሒ እዚ ምስክር ይኹን፡ እዚ ሓወልቲ እዝውን ምስክር ይኹን። 53ኣምላኽ ኣብርሃምን ኣምላኽ ናሆርን፡ ኣምላኽ ኣቦኦም፡ ኣብ መንጎና ይፍረድ። ያእቆብ ድማ በቲ ፍርሃት ኣቦኡ ይስሃቅ መሓለ። 54ያእቆብ ኣብቲ ኸረን መስዋእቲ ሕሩድ ሰውአ፡ ነሕዋቱ ኸኣ እንጌራ ኽበልዑ ጸውዖም። እንጌራ በሊዖም ድማ ኣብቲ ኸረን ሓደሩ። 55ላባን ከኣ ንጽብሒቱ ኣንጊሁ ተንስአ፡ ነወዳቱን ነዋልዱን ድማ ስዒሙ መረቖም። ላባን ከኣ ከይዱ ናብ ቦታኡ ተመልሰ።

   ዘፍጥረት  ምዕራፍ 32            
   1ያእቆብ ድማ መገዱ ኸደ፡ መላእኽቲ እግዚኣብሄር ከኣ ተጓነፍዎ። 2ያእቆብ ምስ ረኣዮም ድማ፡ እዚ ጭፍራ እምላኽ እዩ፡ በለ። ነታ ቦታ እቲኣ ኸኣ መሃናይም ኣውጽኣላ።
3ያእቆብ ድማ ናብ ኤሳው ሓዉ፡ ናብ ሃገር ስዒር ኣብ ምድሪ ኤዶም ቀቅድሚኡ ልኡኻት ሰደደ። 4ከምዚ ኢሉ ድማ ኣዘዞም፡ ንጐይታይ ኤሳው፡ ግልያኻ ያእቆብ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ በልዎ፡ ምስ ላባን ተቐሚጠ ነበርኩ፡ ክሳዕ ሕጂውን ደንጔኹ። 5ኣብዑርን ኣእዱግን ጤለበጊዕን ገላዉን ኣግራድን ኣለዉኒ። ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ ምእንቲ ኽረክብ ድማ፡ እዚ ንጐይታይ ክነግር ለኣኽኩ።
6እቶም ልኡኻት ከኣ ናብ ያእቆብ ተመሊሶም፡ ናብ ሓውካ ኤሳው በጻሕና፡ ንሱን ምስኡ ድማ ኣርባዕተ ሚእቲ ሰብኣይ ክቃባበለካ ይመጽእ ኣሎ፡ በልዎ። 7ሽዑ ያእቆብ ኣዝዩ ፈርሄ ተጨነቐውን። ምስኡ ንዝነበሩ ሰብን ጤለበጊዕን ኣሓን ኣግማልን ድማ ኣብ ክልተ ጋንታ መቐለ፡ 8ኤሳው ናብዚ ሓደ ጋንታ መጺኡ እንተወቕዖ፡ እቲ ዝተረፈ ጋንታ ይድሕን፡ በለ።
9ያእቆብ ድማ በለ፡ ዎ ኣምላኽ ኣቦይ ኣብርሃምን ኣምላኽ ኣቦይ ይስሃቅን፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ናብ ሃገርካን ናብ ዓሌትካን ተመለስ እሞ፡ ጽቡቕ ክገብረልካ እየ፡ ዝበልካኒ፡ 10እዚ ንባርያኻ ጌርካዮ ዘሎኻ ዅሉ ለውሃትን ኵሉ እምነትን ዘይግብኣኒ እዩ። እዛ ዮርዳኖስ እዚኣ ብበትረይ እየ እተሳገርክዋ፡ ሕጂ ግና ክልተ ጋንታ ዀይነ ኣሎኹ። 11መጺኡ፡ ነደ ምስ ደቂ ኸይወቕዓኒ፡ እፈርሆ ኣሎኹ እሞ፡ በጃኻ ኻብ ኢድ ሓወይ፡ ካብ ኢድ ኤሳው ኣድሕነኒ። 12ንስኻ ድማ፡ ብዙሕ ጽቡቕ ክገብረልካ እየ፡ ንዘርእኻውን ካብ ብዝሑ እተላዕለ ክቝጸር ዘይከኣል፡ ከም ሑጻ ባሕሪ ኽገብሮ እየ፡ ኢልካ ኣሎኻ።
13በታ ለይቲ እቲኣ ኣብኡ ሓደረ። ኣብ ኢዱ ኻብ ዘሎ ዅሉ ድማ ንኤሳው ሓዉ ገጽ በረኸት ወሰደ፡ 14ክልተ ሚእቲ ጤልን ዕስራ ድቤላን፡ ክልተ ሚእቲ በጊዕን ዕስራ ድዑልን፡ 15ሰላሳ እተጥቡ ገመል መምስ ውላደን፡ ኣርብዓ ላምን ዓሰርተ ኣርሓን፡ ዕስራ ኣድግን ዓስርተ ዒሉን፡ 16እዚኣተን በብመጋርያአን ከፋፊሉ ኣብ ኢድ ግዙኣቱ ሃቦም። ንግዙኣቱ ኸኣ፡ መጋርያ ንመጋርያ ኣረሓሒቕኩም ቀቅድመይ ሕለፉ፡ በሎም። 17ነቲ ቐዳማይ፡ ሓወይ ኤሳው ምስ ተጓነፈካ እሞ፡ ናይ መን ኢኻ ናበይከ ትኸይድ ኣሎኻ፧ እዘን ቀቅድሜኻ ዘለዋኸ ናይ መን እየን፧ ኢሉ እንተ ሓተተካ፡ 18ናይ ግልያኻ ያእቆብ ንጐይታይ ኤሳው ገጽ በረኸት ዝሰደደን እየን፡ ንሱ ድማ እንሆ፡ ብድሕሬና ኣሎ በሉ፡ ኢሉ ኣዘዞ። 19ከምኡ ኸኣ ነቲ ኻልኣይን ነቲ ሳልሳይን፡ ነቶም መጓሴታት ዝኽብክቡ ዅሎምን ከምዚ ኢሉ ኣዘዞም፡ ንኤሳው ምስ ረኸብኩምዎ፡ ከምዚ ዘረባዚ ተዛርብዎ፡ 20ግልያኻ ያእቆብ ድማ፡ በዚ ቐቅድመይ ዝኸይድ ዘሎ ገጽ በረኸት ከዝሕሎ እየ። ድሕሪኡ ኸኣ ገጹ እርኢ፡ ምናልባሽ ብጽቡቕ እንተ ተቐበለኒ ኢሉ፡ እንሆ ደድሕሬና ኣሎ፡ በሉ። 21በዚ ኸምዚ እቲ ገጽ በረኸት ቀቅድሚኡ ሓለፈ። ንሱ ኸኣ በታ ለይቲ እቲኣ ኣብቲ ሰፈር ሓደረ።
22በታ ለይቲ እቲኣ ኸኣ ተንሲኡ ኽልቲአን ኣንስቱን ክልቲአን ግዙኣቱን ዓሰርተው ሓደ ደቁን ወሲዱ መሳገሪ ያቦቅ ተሳገረ። 23ወሲዱ ርባ ኣሳገረን፡ ዘለዎ ዘበለ ኸኣ ኣሳገረ። 24ያእቆብ ግና በይኑ ተረፈ። ሓደ ሰብኣይ ድማ ምድሪ ኽሳዕ ዝወግሕ ተቓለሶ። 25ንሱ ኸኣ ከም ዘይከኣሎ ምስ ረኣየ፡ ምሕኩልቱ ተንከዮ፡ ክቃለሶ ኸሎ፡ ምሕኩልቲ ያእቆብ ተቘጸ። 26እቲ ሰብኣይ ድማ፡ ምድሪ ይወግሕ ኣሎ እሞ፡ ሕደገኒ፡ በለ። ንሱ ኸኣ፡ ከይባረኽካንስ ኣይሓድገካን እየ፡ በለ። 27ሽዑ ንሱ፡ እንታይ እዩ ስምካ፧ በሎ። ያእቆብ፡ በለ። 28ንሱ ኸኣ፡ ምስ ኣምላኽን ምስ ሰብን ተቓሊስካ ኣሕሚቕካ ኢኻ እሞ፡ ደጊም ስምካ እስራኤል ደኣ እምበር፡ ያእቆብ ኣይብሃልን፡ በሎ። 29ያእቆብ ድማ፡ በጃኻ ስምካ ንገረኒ፡ ኢሉ ሓተቶ። ንሱ ኸኣ፡ ስለምንታይ ብዛዕባ ስመይ ትሓትት፧ በለ። ኣብኡ ድማ ባረኾ። 30ያእቆብ ከኣ፡ ንኣምላኽ ገጽ ንገጽ ርእየዮ እየ እሞ ነፍሰይውን ድሒና እያ፡ ኢሉ ስም እታ ቦታ እቲኣ ጰኒኤል ኣውጽኣላ። 31ንጰኒኤል ምስ ሓለፈ፡ ጸሓይ በረቐቶ። ንሱ ግና ምሕኵልቱ ይሕንክስ ነበረ። 32ንጅማት መፋላልዮ ምሕኵልቲ ያእቆብ ስለ ዝተንከዮ፡ ምእንቲዚ ደቂ እስራኤል ክሳዕ ሎሚ ጅማት መፈላልዮ ምሕኵልቲ ኣይበልዑን እዮም።

   ዘፍጥረት  ምዕራፍ 33            
   1ያእቆብ ድማ ዓይኑ ቛሕ ኣበለ፡ እንሆ ኸኣ፡ ኤሳው፡ ምስኡ ድማ ኣርባዕተ ሚእቲ ሰብ፡ ክመጽእ ረኣየ። ሽዑ ነቶም ደቂ ኣብ ልያን ኣብ ራሄልን ኣብ ክልቲአን እተን ግዙኣትን መቓቐሎም። 2ነተን ግዙኣትን ንደቀንን ቅድሚት፡ ልያን ደቃን ድማ ደድሕሪአን፡ ራሄልን ዮሴፍን ከኣ ድሕሪት ገበሮም። 3ንሱ ድማ ቅድሚኦም ሓሊፉ፡ ናብ ሓዉ ኽሳዕ ዝበጽሕ ሾብዓተ ሳዕ ናብ ምድሪ ሰገደ። 4ኤሳው ከኣ ክቕበሎ ጐየየ፡ ሓቘፎ፡ ኣብ ክሳዱ ወዲቑ ኸኣ ሰዓሞ፡ በኸዩ ድማ። 5ዓይኑ ቛሕ ኣቢሉ ኣንስትን ቈልዑን ርእዩ ኸኣ፡ እዞም ምሳኻ ዘለዉ ደኣ እንታዎት እዮም፧ በለ። ንሱ ድማ፥ እዚኣቶም እግዚኣብሄር ንግልያኻ ዝጸገዎ ደቂ እዮም፡ በለ። 6ሽዑ እተን ግዙኣት ምስ ደቀን ቀሪበን ሰገዳ። 7ልያን ደቃን ከኣ ቀሪቦም ሰገዱ።ድሕሪት ድማ ዮሴፍን ራሄልን ሰገዱ። 8እዚ ዅሉ እተጓነፍክዎ ጭፍራኸ እንታይ ሓሲብካ ኢኻ፧ ድማ በሎ። ኣብ ቅድሚ ጐይታይ ሞገስ ክረክብ ኢለ፡ በለ። 9ኤሳው ከኣ፡ ሓወየ፡ ዝኣኽለኒ ኣሎኒ፡ ናትካስ ንኣኻ ደኣ ይኹን፡ በለ። 10ያእቆብ ድማ፡ ኣይፋልካን፡ ካብ ኣሓጐስካንስ፡ ንገጽካ ኸኣ ገጽ ኣምላኽ ከም ዝርኢ ርእየያ እየ እሞ፡ ኣብ ቅድሜካ ሞገስ እንተ ደኣ ረኺበስ፡ በጃኻ፡ ገጽ በረኸተይ ካብ ኢደይ ተቐበል። 11ኣምላኽ ጸግዩኒ፡ ኵሉ መሊኡኒ ኣሎ እሞ፡ እቲ ዝሰደድኩልካ ገጽ በረኸተይ ውሰዶ ደኣ፡ ኢሉ ግዲ በሎ። ንሱ ኸኣ ወሰዶ።
12ኤሳው ድማ፡ ንንቀል እሞ ንኺድ፡ ኣነ ድማ ቀቅድሜኻ ክኸይድ እየ፡ በለ። 13ንሱ ግና፥ እዞም ቈልዑ ዕሸላት ከም ዝዀኑ፡ ዘጥብዋ ጤለበጊዕን ኣሓን ከኣ ከም ዘለዋኒ፡ ጐይታይ ይፈልጥ ኣሎ። ሓደ መዓልቲ እምብዛ እንተ ሃወኽወን ኵለን መጓሰ ይሞታ። 14ጐይታይሲ፡ ቀቅድሚ ግልያኡ ደኣ ይሕለፍ፡ ኣነ ድማ ናብ ጐይታይ ኣብ ሰዒር ክሳዕ ዝበጽሕ፡ ከም ስጕምቲ እተን ቀቅድመይ ዘለዋ ማልን ከም ስጕምቲ እቶም ቈልዑን ገይረ ቐስ እናበልኩ እመጽእ፡ በሎ። 15ኤሳው ከኣ፡ እምበኣርስኸ ካብዚ ምሳይ ዘሎ ህዝቢ ኽሓድገልካ፡ በሎ። ንሱ ግና፡ እዚኸ ስለምንታይ እዩ፧ ኣብ ቅድሚ ጐይታይ ደኣ ሞገስ እርከብ፡ በለ። 16ኤሳው በታ መዓልቲ እቲኣ መገዱ ናብ ስዒር ኣቢሉ ተመልሰ። 17ያእቆብ ድማ ናብ ሱኮት ተጓዕዘ፡ ንእኡ ኸኣ ቤት ሰርሐ፡ ንማሉውን ዳሳት ገበረ። ብዛዕባዚ ስም እታ ቦታ ሱኮት ተባህለ።
18ያእቆብ ድማ ካብ ጳዳን-ኣራም ምስ መጸ፡ ኣብ ምድሪ ኸነኣን ናብ ዘላ ኸተማ ሴኬም ብደሓን ኣተወ። ኣብ መንጽር እታ ኸተማ ኸኣ ሰፈረ። 19እታ ድንኳኑ ተኺሉላ ዝነበረ ኽፍሊ ግራት ድማ ኣብ ኢድ ደቂ ሓሞር፡ ኣቦ ሴኬም፡ ብሚእቲ ቀሲጣ ዓደጋ። 20ኣብኣ መሰውኢ ኣቝሙ ኸኣ፡ ኤል-ኤሎሄ-እስራኤል ኣውጽኣሉ።

   ዘፍጥረት  ምዕራፍ 34            
   1እታ፡ ልያ ንያእቆብ ዝወለደትሉ ዲና ጓላ ኸኣ፡ ነዋልድ እታ ሃገር ክትርኢ ወጸት። 2ሴኬም ወዲ ሓሞር፡ እቲ ሓዋዊ ጐይታ እታ ሃገር ድማ ረኣያ፡ ወሲድዋ ኸኣ ምስኣ ደቀሰ፡ ኣነወራውን። 3ነፍሱ ድማ ምስ ዲና ጓል ያእቆብ ተጣበቐት፡ ነታ ጓል ፈተዋ፡ ነታ ጓልውን ብፍቕሪ ተዛረባ። 4ሴኬም ድማ ነቦኡ ሓሞር፡ እዛ ጓል እዚኣ ሰበይተይ ክትከውን ኣምጽኣለይ፡ ኢሉ ተዛረቦ።
5ያእቆብ ድማ ንጓሉ ዲና ኸም ዘርከሳ ሰምዐ፡ ደቁ ኸኣ ምስ ማሉ ኣብ መሮር ነበሩ እሞ፡ ያእቆብ ክሳዕ ዝኣትዉ ስቕ በለ። 6ሓሞር ኣቦ ሴኬም ከኣ ምስኡ ኽዛረብ ናብ ያእቆብ ወጸ። 7ደቂ ያእቆብ ድማ እዚ ምስ ሰምዑ፡ ካብ መሮር ኣተዉ። እቶም ሰባት ከኣ ምስ ጓል ያእቆብ ብምድቃሱ ኽግበር ዘይግባእ ኣብ እስራኤል ነውሪ ስለ ዝነበረ፡ ጕህዮም ኣዝዮም ተናደዱ። 8ሓሞር ድማ፥ ነፍሲ ወደይ ሴኬም ምስ ጓልኩም ተጣቢቓ እያ እሞ፡ በጃኹም ሰበይቱ ኽትከውን ሃብዎ። 9ምሳና ተዋሰቡ፡ ኣዋልድኩም ሃቡና፡ ንኣኻትኩምውን ኣዋልድና ውሰዱ፡10ምሳና ድማ ንበሩ። እንሃ እዛ ምድሪ ኣብ ቅድሜኹም ኣላ፡ ተቐሚጥኩም ንገዱላን ተረስተይዋን፡ ኢሉ ተዛረቦም። 11ሴኬም ድማ ነቦኣን ነሕዋታን፥ ኣብ ቅድሚኹም ኰታ ምገስ እርከብ፡ ዝበልኩምኒ ኽህብ እየ። 12ገዝምን ህያብን ኣዚኹም ኣብዚሕኩም ኣዝዙኒ። እታ ጓል ደኣ ሰበይተይ ክትከውን ሃቡኒ እምበር፡ ከም ዝበልኩምኒ እህብ፡ በሎም። 13ደቂ ያእቆብ ከኣ፡ ንሓብቶም ዲና ስለ ዘነወራ፡ ንሴኬምን ነቦኡ ሓሞርን መሊሶም ብተንኰል ተዛረብዎም፡ 14በልዎም ድማ፡ ሓብትና ንዘይተገዝረ ሰብኣይ ክንህብ እዚ የነውረና እዩ እሞ፡ እዚ ነገርዚ ኽንገብር ኣይንኽእልን። 15ተባዕታይ ዘበለ ዅሉ ብምግዛርኩም፡ ከማና እንተ ዀንኩም፡ በዚ ጥራይ ሕራይ ንብለኩም። 16ሽዑ ኣዋልድና ንህበኩም፡ ኣዋልድኩም ከኣ ንወስድ፡ ምሳኻትኩም ድማ ንነብር፡ ሓደ ህዝቢውን ንኸውን። 17ክትግዘሩ እንተ ዘይሰማዕኩምና ግና፡ ጓልና ሒዝና ንኸይድ። 18ንሓሞርን ንሴኬም ወዲ ሓሞርን ከኣ እቲ ዘረባኦም ባህ ኣበሎም።
19እቲ ጐበዝ ድማ ንጓል ያእቆብ ፈትይዋ ነበረ እሞ፡ እዚ ነገርዚ ንምግባር ኣይደንጐየን። ኣብ ቤት ኣቦኡ ኻብ ዘለዉ ዅሎም ከኣ ንሱ ይኸብር ነበረ። 20ሓሞርን ወዱ ሴኬምን ናብ ደገ ኸተማኦም ከይዶም፡ ንሰብ እታ ኸተማኦም ከምዚ ኢሎም ተዛረብዎም፡ 21እዞም ሰባት እዚኦም ምሳና ሰብ ሰላም እዮም፡ እዛ ምድሪ ድማ እንሃ፡ ንኣታቶም እትኣክል ገፋሕ እያ እሞ፡ ኣብዛ ምድሪ ይቀመጡን ይንገዱላን። ኣዋልዶም ንኣና ኣንስቲ ንወስድ፡ ኣዋልድና ድማ ንኣታቶም ንሃቦም። 22እዞም ሰባት እዚኣቶም ግና ምሳና ክቕመጡ፡ ምሳና ሓደ ህዝቢ ክዀኑ ድማ በዚ ጥራይ ሕራይ ይብሉና፡ ንሳቶም ግዙራት ከም ዝዀኑ፡ ኵሉ ተባዕታይና ኽግዘር። 23ማሎምን ገንዘቦምን፡ ኵሉ እንስሳኦምንከ ናትናዶ ኣይኰነን፧ ሓንትስ ሕራይ ደኣ ንበሎም እምበር፡ ምሳና ኽነብሩ እዮም። 24እቶም ብደገ ኸተማኡ ዝወጹ ዅላቶም ንሓሞርን ንወዱ ሴኬምን ሰምዕዎም እሞ፡ ብደገ ኸተማኡ ዝመጸ ዘበለ ዅሉ ተባዕታይ ተገዝረ።
25ኰነ ኸኣ፡ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ክቕንዘዉ ኸለዉ፡ ክልተ ደቂ ያእቆብ፡ ስምኦንን ሌውን ኣሕዋት ዲና፡ ሰሴፎም ወሲዶም፡ ነታ ኸተማ ኸይሓሰበት ሓደጋ ወዲቖም፡ ተባዕታይ ዘበለ ዅሉ ቐተሉ። 26ንሓሞርን ንወዱ ሴኬምን ብስሕለት ሴፍ ቀቲሎም፡ ንዲና ኻብ ቤት ሴኬም ሒዞምዋ ወጹ። 27ደቂ ያእቆብ፡ ንሓብቶም ስለ ዘርከስዋ፡ ናብቶም ቅቱላት መጺኦም ነታ ኸተማ ዘመትዋ። 28ኣባጊዖምን ኣሓኦምን ኣእዱጎምን ኣብ ከተማ ዝነበረን ኣብ መሮር ዝነበረን ድማ ወሰዱ። 29ኵሉ ገንዘቦምን ኵሎም ሕጻውንቶምን ኣንስቶምን ማረኹ፡ ኣብ ቤት ንተረኽበ ዅሉ ድማ ዘመቱ።
30ያእቆብ ከኣ ንስምኦንን ንሌውን፡ ኣብ መንጎ እዞም ኣብዛ ሃገር ዝነብሩ፡ ኣብ መንጎ ኸነኣናውያንን ፈረዛውያንን ንኽፉእ ጨና ብምግባርኩም ኣጨነቕኩምኒ። ኣነ ብቝጽሪ ሒደት እየ፡ ንሳቶም ከኣ ተኣኪቦም ይቐትሉኒ፡ ኣነን ቤተይን ድማ ንጠፍእ፡ በሎም። 31ንሳቶም ከኣ፡ ኣብ ሓብትናዶ ደኣ ኸም ኣብ ኣመንዝራ ኽግበር እዩ፧ በሉ።

   ዘፍጥረት  ምዕራፍ 35            
   1ኣምላኽ ድማ ንያእቆብ፡ ተንስእ እሞ ናብ ቤት-ኤል ደይብ፡ ኣብኣውን ተቐመጥ። ኣብኣ ድማ ነቲ ኻብ ቅድሚ ሓውካ ኤሳው ክትሃድም ከሎኻ እተገልጸልካ ኣምላኽ መሰውኢ ግበር በሎ። 2ሽዑ ያእቆብ ንስድራኡን ምስኡ ንዝነበሩ ዅሎምን፡ ኣብ ማእከልኩም ዘለዉ ጓኖት ኣማልኽቲ ኣርሕቑ፡ ጽረዩ፡ ክዳውንትኹምውን ለውጡ። 3ንተንስእ፡ ናብ ቤት-ኤል ድማ ንደይብ፡ ኣብኣ ኸኣ ነቲ ብመዓልቲ ጸበባይ ዝሰምዓንን፡ ኣብ ዝኸድክዎ መገዲ ምሳይ ዝነበረን ኣምላኽ መሰውኢ ኽገብር እየ፡ በሎም። 4ኣብ ኢዶም ዝነበሩ ዅሎም ጓኖት ኣማልኽትን ኣብ ኣእዛኖም ዝነበረ ቐላብትን ንያእቆብ ሃብዎ። ያእቆብ ድማ ኣብ ትሕቲ እቲ ኣብ ጥቓ ሴኬም ዘሎ ድዋ ሓብኦ። 5ተጓዕዙ ኸኣ። ኣብተን ኣብ ዙርያኦም ዝነበራ ኸተማታት ድማ ዓብዪ ፍርሃት ኣምላኽ ኰነ እሞ፡ ንደቂ ያእቆብ ኣይሰጐጕዎምን።
6ያእቆብን እቲ ምስኡ ዝነበረ ዅሉ ህዝብን ናብታ ኣብ ምድሪ ኸነኣን ዘላ ሉዝ መጹ፡ ንሳ ኸኣ ቤት-ኤል እያ፡ 7ኣብኣ ድማ መሰውኢ ነደቐ። እቲ ኻብ ቅድሚ ሓዉ ኽሃድም ከሎ፡ ኣምላኽ ኣብኣ ስለ እተገልጸሉ፡ ነታ ቦታ ኤል-ቤት-ኤል ኣውጽኣላ። 8ዲቦራ መጕዚት ርብቃ ሞተት፡ ኣብ ትሕቲ ቤት-ኤል፡ ኣብ ትሕቲ እቲ ድዋ ድማ ተቐብረት። ስሙ ኸኣ ድዋ ብኽያት ተባህለ።
9ያእቆብ ካብ ጵዳን-ኣራም ምስ መጸ ድማ፡ ኣምላኽ ከም ብሓድሽ ተራእዮ፡ ባረኾ ኸኣ። 10ኣምላኽ ድማ፡ ስምካ ያእቆብ እዩ፡ ድሕሪ ደጊምሲ ስምካ ያእቆብ ኣይብሃልን፡ ስምካ እስራኤል ደኣ ክኸውን እዩ፡ በሎ። ስሙ ኸኣ እስራኤል ኣውጽኣሉ። 11ኣምላኽ ድማ፡ ኣነ እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ እየ። ፍረን ብዛሕን፡ ህዝብን ብዝሒ ህዝብታትን ካባኻ ኽወጹ እዩም፡ ነገስታት ከኣ ካብ ሕቜኻ ክወጹ እዮም። 12እዛ ንኣብርሃምን ንይስሃቅን ዝሃብክዎም ምድሪ ንኣኻ ኽህበካ እየ። ብድሕሬኻ ድማ እታ ምድሪ ንዘርእኻ ኽህቦ እየ፡ በሎ። 13ኣምላኽ ድማ ካብታ ምስኡ እተዛረበላ ቦታ ኻብኣ ደየበ። 14ያእቆብ ከኣ ኣብታ ምስኡ እተዛረበላ ቦታ ሓወልቲ፡ ሓወልቲ እምኒ፡ ተኸለ። ኣብኣ ድማ መስዋእቲ መስተ ኸዓወ፡ ኣብ ልዕሊኡውን ዘይቲ ኸዓወ። 15ያእቆብ ከኣ ነታ ኣምላኽ ኣብኣ ምስኡ እተዛረበላ ቦታ ስማ ቤት-ኤል ኣውጽኣላ።
16ካብ ቤት-ኤል ድማ ተላዕሉ። ንኤፍራታ ኽበጽሑ ገና፡ ገለ መገዲ ተሪፍዎም ከሎ፡ ራሄል ወለደት። ክትወልድ ከላ ድማ፡ ጻዕሪ በርትዓ። 17ኰነ ኸኣ፡ ብሕርሳ ኽትጽዓር ከላ፡ እታ መሕረሲት፡ ሕጂ ድማ ወዲ ረኺብኪ ኢኺ እሞ፡ ኣይትፍርሂ፡ በለታ። 18ኰነ ኸኣ፡ ክትመውት፡ ነፍሳ ኽትወጽእ ከላ ድማ፡ ስሙ ቤንኦኒ ኣውጽኣትሉ። ኣቦኡ ግና ብንያም ኣውጽኣሉ። 19ራሄል ከኣ ሞተት፡ ኣብ መገዲ ኤፍራታ ድማ ተቐብረት፡ ንሳ ቤት-ልሄም እያ። 20ያእቆብ ድማ ኣብ መቓብራ ሓወልቲ ተኸለ፡ ንሱ እቲ ኽሳዕ ሎሚ ዘሎ ሓወልቲ መቓብር ራሄል እዩ።
21እስራኤል ከኣ ካብኡ ተላዒሉ ድንኳኑ ኣብ ክንየው ግምቢ ኤደር ተኸለ። 22ኰነ ድማ፡ እስራኤል ኣብኡ ኣብታ ምድሪ እቲኣ ተቐሚጡ ኸሎ፡ ሮቤል ከይዱ ምስ ቢልሃ፡ ሰበይቲ ወሰን ኣቦኡ ደቀሰ። እስራኤል ድማ ሰምዐ።
ኣወዳት ያእቆብ ከኣ ዓሰርተው ክልተ ነበሩ። 23ደቂ ልያ፡ ሮቤል በዅሪ ያእቆብን ስምኦንን ሌውን ይሁዳን ይሳኮርን ዛብሎንን። 24ደቂ ራሄል፥ ዮሴፍን ብንያምን። 25ደቂ ቢልሃ ግዝእቲ ራሄል ድማ፡ ዳንን ንፍታሌምን። 26ደቂ ዚልጳ ግዝእቲ ልያ ኸኣ፡ ጋድን ኣሴርን፡ እዚኣቶም ኣብ ጳዳን-ኣራም እተወልዱሉ ደቂ ያእቆብ እዮም። 27ያእቆብ ድማ ናብ ኣቦኡ ይስሃቅ ናብ መምሬ ኣብ ቅርያት-ኣርባዕ መጸ። ንሳ እታ ኣብርሃምን ይስሃቅን ተሰዲዶምዋ ዝነበሩ ኬብሮን እያ። 28ዕድመ ይስሃቅ ከኣ ሚእትን ስማንያን ዓመት ኰነ። 29ይስሃቅ ድማ ትንፋሱ ወጸት እሞ ሞተ። ኣሪጉ ዕድመ ጸጊቡ ናብ ህዝቡ ተኣከበ። ደቁ ኤሳውን ያእቆብን ከኣ ቀበርዎ።

   ዘፍጥረት  ምዕራፍ 36    
   1ወለዶ ኤሳው፡ ንሱ ድማ ኤዶም፡ እዚ እዩ። 2ኤሳው እተን ኣንስቱ ኻብ ኣዋልድ ከነኣን፡ ዓዳ፡ ጓል ኤሎን ሔታውን ኦሆሊባማ ጓል ዓና ጓል ጺብዖን ሓዋዊን፡ 3ባስማት፡ ጓል እስማኤል ሓብቲ ነባዮትን ወሰደ። 4ዓዳ ድማ ንኤሳው ኤሊፋዝ ወለደትሉ፡ ባስማት ከኣ ንራጉኤል ወለደት። 5ኦሆሊባማውን የዑስን ያዕላምን ቆራሕን ወለደት። እዚኣቶም ኣብ ምድሪ ኸነኣን እተወልዱሉ ደቂ ኤሳው እዮም።
6ኤሳው ኣንስቱን ኣወዳቱን ኣዋልዱን ኵሉ ስድራ ቤቱን ማሉን ኵሉ እንስሳኡን ኣብ ምድሪ ኸንኣን ዘጥረዮ ዅሉ ገንዘቡን ወሰደ፡ ካብ ቅድሚ ያእቆብ ሓዉ ኸኣ ናብ ካልእ ምድሪ ኸደ። 7ብሓደ ኸይቅመጡ እቲ ጥሪቶም በዝሑ ነበረ እሞ፡ ብምኽንያት ማሎም ድማ እታ ምድሪ ስደቶም ክትጾሮም ኣይከኣለትን። 8ኤሳው ከኣ ኣብ ከረን ስዒር ተቐመጠ። ኤሳው ኤዶም እዩ።
9ወለዶ ኤሳው፡ ኣቦ ኤዶማውያን ኣብ ከረን ስዒር እዚ እዩ። 10ስማት ደቂ ኤሳው እዚ እዩ፡ ኤሊፋዝ፡ ወዲ ዓዳ ሰበይቲ ኤሳው፡ራጉኤል፡ ወዲ ባስማት ሰበይቲ ኤሳው። 11ደቂ ኤሊፋዝ ከኣ፡ ቴማን፡ ኦማር፡ ጼፎ፡ ጋዕታም፡ ቄናዝ ነበሩ። 12ቲምናዕ ድማ ሰበይቲ ወሰኑ ንኤሊፋዝ ወዲ ኤሳው ነበረት እሞ፡ ኔሊፋዝ ኣማሌቅ ወለደትሉ። እዚኣቶም ደቂ ዓዳ ሰበይቲ ኤሳው እዮም። 13ደቂ ራጉኤል ድማ እዚኣቶም እዮም፥ ናሓትን ዜራሕን ሻማን ሚዛን፡ እዚኣቶም ደቂ ባስማት ሰበይቲ ኤሳው ነበሩ። 14ደቂ ኦሆሊባማ ሰበይቲ ኤሳው፡ ጓል ዓና ጓል ጺብዖን ድማ እዚኣቶም እዮም፥ ንሳ ንኤሳው የዑሽን ያዕላማን ቆራሕን ወለደትሉ።
15ሹማምቲ ደቂ ኤሳው፡ ደቂ ኤልፋዝ በዅሪ ኤሳው፡ እዚኣቶም እዮም፡ ሹም ቴማን፡ ሹም ኦማር፡ ሹም ጼፎ፡ ሹም ቄናዝ፡ 16ሹም ቆራሕ፡ ሹም ጋዕታም፡ ሹም ኣማሌቅ። እዚኣቶም ሹማምቲ ኤሊፋዝ ኣብ ምድሪ ኤዶም እዮም። እዚኣቶም ደቂ ዓዳ እዮም። 17ደቂ ራጉኤል ወዲ ኤሳው ድማ እዚኣቶም እዮም፡ ሹም ናሓት፡ ሹም ዜራሕ፡ ሹም ሻማ፡ ሹም ሚዛ። እዚኣቶም ሹማምቲ ራጉኤል ኣብ ምድሪ ኤዶም እዮም። ንሳቶም ደቂ ባስማት ሰበይቲ ኤሳው እዮም። 18ደቂ ኦሆሊባማ ሰበይቲ ኤሳው ድማ እዚኣቶም እዮም፡ ሹም የዑስ፡ ሹም ያዕላም፡ ሹም ቆራሕ። እዚኣቶም ሹማምቲ ኦሆሊባማ፡ ጓል ዓና ሰበይቲ ኤሳው፡ እዮም። 19እዚኣቶም ደቂ ኤሳው፡ ንሱ ኤዶም፡ ሹማምቶም ድማ እዚኣቶም እዮም።
20ደቂ ሰዒር ሖራዊ፡ ኣብታ ሃገር ዝነበሩ፡ እዚኣቶም እዮም፥ ሎጣንን ሾባልን ጺብዖንን ዓናን፡ 21ዲሾንን ኤጾርን ዲሻንን፡ እዚኣቶም ሹማምቲ ሖራውያን ደቂ ስዒር፡ ኣብ ምድሪ ኤዶም እዮም። 22ደቂ ሎጣን ከኣ ሖሪን ሄማምን ነበሩ፡ ሓብቲ ሎጣን ድማ ቲምናዕ። 23ደቂ ሾባል ከኣ እዚኣቶም እዮም፥ ዓልዋንን ማናሓትን ኤባልን ሼፎን ኦናምን። 24ደቂ ጺብዖን ድማ እዚኣቶም እዮም፡ ኣያን ዓናን። እዚ ዓና እዚ፡ ኣእዱግ ኣቦኡ ጺብዖን ኣብ በረኻ ኽጓሲ ኸሎ፡ ዓይንታት ማይ ውዑይ ዝረኸበ እዩ። 25ደቂ ዓና ኸኣ እዚኣቶም እዮም፡ ዲሾንን ኦሆሊባማ ጓል ዓናን። 26ደቂ ዲሾን ከኣ እዚኣቶም እዮም፡ ሔምዳንን ኤሽባንን ይትራንን ከራንን። 27ደቂ ኤጽር እዚኣቶም እዮም፡ ቢልሃንን ዛዕዋንን ዓቃንን። 28ደቂ ዲሻን እዚኣቶም እዮም፥ ዑጽን ኣራንን። 29ሹማምቲ ሖራውያን እዚኣቶም እዮም፡ ሹም ሎጣን፡ ሹም ሾባል፡ ሹም ጺብዖን፡ ሹም ዓና፡ 30ሹም ዲሾን፡ ሹም ኤጽር፡ ሹም ዲሻን። እዚኣቶም በብስሞም ኣብ ምድሪ ስዒር ዘለዉ ሹማምቲ ሖራውያን እዮም።
31ገና ኣብ ደቂ እስራኤል ንጉስ ከይነገሰ፡ ኣብ ምድሪ ኤዶም ዝነገሱ ነገስታት ድማ እዚኣቶም እዮም፥ 32ቢላዕ ወዲ ቤዖር ኣብ ኤዶም ነገሰ፡ ከተማኡ ኸኣ ዲንሃባ ተባህለት። 33ቤላዕ ድማ ሞተ፡ ዮባብ ወዲ ዘራሕ ካብ ቦጽራ ኣብ ክንዳኡ ነገሰ። 34ዮባብ ከኣ ሞተ። ሑሻም ካብ ሃገር ቴማኒ ኣብ ክንዳኡ ነገሰ። 35ሑሻም ድማ ሞተ። ሃዳድ ወዲ በዳድ፡ እቲ ንሰብ ሚድያን ኣብ መሮር ሞኣብ ዝሰዓረ፡ ኣብ ክንዳኡ ነገሰ። ስም ከተማኡ ድማ ዓዊት ነበረ። 36ሃዳድ ከኣ ሞተ። ሳምላ ኻብ ማስሬቃ ኣብ ክንዳኡ ነገሰ። 37ሳምላ ድማ ሞተ። ሻኡል፡ በዓል እታ ጥቓ ርባ ዘላ ረሖቦት ኣብ ክንዳኡ ነገሰ። 38ሻኡል ከኣ ሞተ እሞ በዓል-ሓናን ወዲ ኣኽቦር ኣብ ክንዳኡ ነገሰ። 39በዓል-ሓናን ወዲ ኣኽቦር ድማ ሞተ። ሃዳር ከኣ ኣብ ክንዳኡ ነገሰ። ስም ከተማኡ ድማ ጳዑ ነበረ፡ ስም ሰበይቱ ኸኣ ሜሄጣብኤል እዩ፡ ንሳ ጓል ማጥሬድ ጓል ሜዛሃብ እያ።
40ስም ሹማምቲ ኤሳው በብዓሌቶም፡ በብቦታኦም፡ በብስሞም እዚ እዩ፡ ሹም ቲምናዕ፡ ሹም ዓልዋ፡ ሹም የቴት፡ 41ሹም ኦሆሊባማ፡ ሹም ኤላ፡ ሹም ጲኖን፡ 42ሹም ቄናዝ፡ ሹም ቴማን ሹም ሚብጻር፡ 43ሹም ማግዲኤል፡ ሹም ዒራም። እዚኣቶም በብምቕማጦም ኣብ ምድሪ ርስቶም ዘለዉ ሹማምቲ ኤዶም እዮም። ኤሳው፡ ንሱ ኣቦ ኤዶማውያን እዩ።

   ዘፍጥረት  ምዕራፍ 37            
   1ያእቆብ ድማ ኣብታ ኣቦኡ ተሰዲድዋ ዝነበረ ምድሪ፡ ኣብ ምድሪ ኸነኣን ተቐመጠ።
2ወለዶ ያእቆብ እዚ እዩ። ዮሴፍ፡ ወዲ ዓሰርተው ሾብዓተ ዓመት ምስ ኰነ፡ ምስ ኣሕዋቱ ጤለበጊዕ ይጓሲ ነበረ። ንሱ ብንእስነቱ ኾሎ ኸኣ ምስ ደቂ ቢልሃን ምስ ደቂ ዚልጳን ኣንስቲ ኣቦኡ ነበረ። ዮሴፍ ድማ እቲ ኽፉእ ወሬኦም ነቦኦም የምጽኣሉ ነበረ። 3እስራኤል ንዮሴፍ፡ ወዲ እርግናኡ ነበረ እሞ፡ ሓለፋ ዅሎም ደቁ ይፈትዎ ነበረ። ወለል ዝብል ቀምሽ ከኣ ገበረሉ። 4እቶም ኣሕዋቱ፡ ኣቦኦም ሓለፋ ዅላቶም ኸም ዝፈተዎ ርእዮም፡ ጸልእዎ፡ ብሰላም ክዛረብዎ ድማ ኣይከኣሉን። 5ዮሴፍ ከኣ ሕልሚ ሓለመ ነሕዋቱ ድማ ነገሮም። መሊሶም ከኣ ኣዝዮም ጸልእዎ። 6ንሱ ድማ፡ ዝሓለምክዎ ሕልሚ እማ ስምዑ፡ 7እንሆ፡ ንሕና ኣብ ማእከል ግራት እንዳእቲ ንኣስር ነበርና። እንሆ ኸኣ፡ እንዳእተይ ተንሲኣ ትኽ በለት። እንሆ ድማ፡ እንዳእትኹም ንእንዳእተይ ከቢበን ሰገዳላ፡ በሎም። 8ሽዑ ኣሕዋቱ፡ እሞ ብሓቂዶ ኣብ ልዕሌና ኽትነግስ፡ ብሓቂዶኸ ኽትገዝኣና ኢኻ፧ በልዎ። መሊሶም ከኣ ብዛዕባ ሕልምታቱን ዘረባኡን ኣዝዮም ጸልእዎ። 9ካልእ ሕልሚ ድማ ሓለመ፡ ነሕዋቱ ኸኣ ነገሮም፡ እንሆ፡ ካልእ ሕልሚ ሓለምኩ፡ እንሆ ድማ፡ ጸሓይን ወርሕን ዓሰርተው ሓደ ከዋኽብትን ሰገዱለይ፡ በለ። 10ነቦኡን ነሕዋቱን ድማ ነገሮም፡ ኣቦኡ ኸኣ ገንሖ፡ እዚ ዝሓለምካዮ እንታይ ሕልሙ እዩ፧ ብሓቂዶ ኣነን ኣዴኻን ኣሕዋትካን መጺእና ኣብ ምድሪ ኽንሰግደልካ ኢና፧ በሎ። 11ኣሕዋቱ ኸኣ ቀንኡሉ። ኣቦኡ ግና ነዚ ነገርዚ ኣብ ልቡ ዓቝርዎ ነበረ።
12ኣሕዋቱ ድማ ጤለበጊዕ ኣቦኦም ክጓስዩ ናብ ሴኬም ከዱ። 13እስራኤል ከኣ ንዮሴፍ፡ ኣሓትካ ደኣ ኣብ ሴኬምዶ ይጓስዩ ኣየለዉን፧ ንዓ ናባታቶም ክሰደካ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ እኔኹ፡ በሎ። 14ኪድ እሞ፡ እቶም ኣሕዋትካ ደሓን እንተለዉ፡ እተን ጤለበጊዕውን ደሓን እንተለዋ ርአ፡ ቃል ድማ ምለሰለይ፡ በሎ። ከምዚ ገይሩ ኻብ ለሰ ኬብሮን ለኣኾ፡ ንሱ ኸኣ ናብ ሴኬም መጸ። 15እብቲ መሮር ሃለው ክብል ከሎ፡ እንሆ፡ ሓደ ሰብኣይ ረኸቦ። እቲ ሰብኣይ ከኣ፡ እንታይ ትደሊ ኣሎኻ፧ ኢሉ ሓተቶ። 16ንሱ ድማ፡ ኣሕዋተይ እደሊ ኣሎኹ፡ ኣበይ ከም ዝጓስዩ ዀታ ንገረኒ፡ በለ። 17እቲ ሰብኣይ ከኣ፡ ናብ ዶታን ንኺድ፡ ክብሉ ሰሚዐዮም ነበርኩ እሞ፡ ካብዝስ ለቒቖም እዩም፡ በለ። ዮሴፍ ከኣ ደድሕሪ ኣሕዋቱ ኸይዱ፡ ኣብ ዶታን ረኸቦም። 18ካብ ርሑቕ ድማ ረኣይዎ፡ ገና ኣባታቶም ከይቀረበ ኸኣ፡ ክቐትልዎ ተታናዀሉ። 19ንሓድሕዶም ድማ ተባሃሃሉ፡ እቲ ሓላሚ እንሆ፡ ይመጽእ ኣሎ፡ 20ሕጂ ኸኣ ንዑ ንቕተሎ፡ ኣብ ሓንቲ ኻብዘን ጐደጕድ ንደርብዮ እሞ፡ ሕሱም ኣራዊት በሊዕዎ፡ ንበል። እቲ ሕልምታቱ እንታይ ከም ዝኸውን ድማ ንርኢ። 21ሮቤል ከኣ እዚ ሰሚዑ ኻብ ኢዶም ኣድሓኖ፡ ነፍሲ ኣይንቕተል፡ ድማ በለ። 22ሮቤል ከኣ ካብ ኢዶም ኣድሒኑ ናብ ኣቦኡ ምእንቲ ኽመልሶ ኢሉ፡ ብኢድ እኳ ኣይትተንክይዎ፡ ኣብዚ በረኻ ኣብ ዘሎ ጕድጓድ ደርብይዎ እምበር፡ ደምሲ ኣይትኽዓዉ፡ በሎም። 23ኰነ ኸኣ፡ ዮሴፍ ናብ ኣሕዋቱ ምስ መጸ፡ ነቲ ተኸዲንዎ ዝነበረ ቐምሹ፡ እቲ ወለል ዝብል ቀምሽ፡ ቀንጠጥዎ። 24ወሲዶም ድማ ናብ ጕድጓድ ደርበይዎ። እቲ ጕድጓድ ከኣ ማይ ዘብሉ ጥራዩ ነበረ። 25እንጌራ ኽበልዑ ድማ ተቐመጡ። ኣዒንቶም ቋሕ ኣቢሎም ጠመቱ፡ እንሆ ኸኣ፡ እስማኤላውያን ቃፍላይ፡ ኣግማሎም ሽቱን ቀመምን ከርበን ተጽዒነን ናብ ግብጺ ኸውርድዎ ክኸዱ፡ ካብ ጊልዓድ ክመጹ ረኣዩ። 26ይሁዳ ድማ ነሕዋቱ፡ ሓውና ቐቲልና ደሙ እንተ ሓባእናስ፡ እንታይ ክንጥቀም ኢና፧ 27ንዑ ግዳ ኣብዞም እስማዔላውያን ንሽጦ፡ ሓውናን ስጋናን እዩ እሞ፡ ኢድና ኣብ ልዕሊኡ ኣይትኹን፡ በሎም። ኣሕዋቱ ድማ ሰምዕዎ። 28እቶም ነጋዶ ሰብ ሚድያን ክሓልፉ ኸለዉ፡ ንዮሴፍ ኣልዒሎም፡ ካብ ጕድጓድ ኣውጽእዎ እሞ፡ ንዮሴፍ ንዕስራ ሲቃል ብሩር ኣብ እስማዔላውያን ሸጥዎ። ንሳቶም ከኣ ንዮሴፍ ናብ ግብጺ ወሰድዎ።
29ሮቤል ድማ ናብቲ ጕድጓድ ተመልሰ፡ እንሆ ኸኣ፡ ዮሴፍ ኣብቲ ጉድጓድ ኣይነበረን። ሽዑ ኽዳኑ ቐደደ። 30ናብ ኣሕዋቱ ተመሊሱ ድማ፡ እቲ ቘልዓ የሎን፡ ኣነ ደኣ ናበይ ክኸይድ እየ፧ በለ። 31ቀምሽ ዮሴፍ ወሲዶም ከኣ ወጠጦ ሓሪዶም ነቲ ቀምሽ ኣብ ደም ጠለቕዎ። 32ነቲ ወለል ዝብል ቀምሽ ሰዲዶም ናብ ኣቦኦም ኣእተውዎ፡ እዚ ረኺብና እሞ፡ ቀምሽ ወድኻ እንተ ዀይኑ ወይ እንተ ዘይኰነ፡ እስኪ ኣለልዮ፡ ድማ በሉ። 33ኣለልይዎ ኸኣ፡ እዚ ቐምሽ ወደይ እዩ፡ ሕሱም ኣራዊት በሊዕዎ፡ ዮሴፍ ብርግጽ ተበሊዑ፡ በለ። 34ያእቆብ ድማ ክዳኑ ቐዲዱ ኣብ ሕቝኡ ማቕ ተዓጥቀ፡ ብዛዕባ ወዱ ብዙሕ መዓልቲ ሓዘነ። 35ኵሎም ኣወዳቱን ኵለን ኣዋልዱን ድማ ከጸናንዕዎ ተንስኡ። ንሱ ግና ምጽንናዕ ኣበየ፡ ብሓዘን ናብ ወደይ ናብ ሽኦል ክወርድ እየ፡ ድማ በለ። ኣቦኡ ኸኣ በኸየሉ።
36እቶም ሚድያናውያን ድማ ናብ ግብጺ፡ ናብ ጶጢፋር፡ በዓል መዋእል ፈርኦን ሓለቓ ዘብዐኛታት፡ ሸጥዎ።

   ዘፍጥረት  ምዕራፍ 38            
   1በቲ ወርሓት እቲ ኸኣ ዀነ፡ ይሁዳ ኻብ ኣሕዋቱ ወሪዱ፡ ናብ ሒራ ዝስሙ ኣዱላዊ ሰብኣይ ኣተወ። 2ይሁዳ ኣብኡ ጓል ሹዓ ዝስሙ ከነኣናዊ ሰብኣይ ረኣየ፡ ወሲዱ ኸኣ ኣተዋ። 3ንሳ ጠነሰት ወዲውን ወለደት፡ ስሙ ድማ ዔር ኣውጽኣትሉ። 4ደጊማ ኸኣ ጠነሰት ወዲውን ወለደት፡ ስሙ ድማ ኦናን ኣውጽኣትሉ። 5ከም ብሓድሽ ከኣ ደጊማ ወዲ ወለደት፡ ስሙውን ሼላ ኣውጽኣትሉ። ንእኡ ኽትወልድ ከላ፡ ይሁዳ ኣብ ከዝብ ነበረ። 6ይሁዳ ድማ ንዔር በዅሪ ወዱ ታማር ዝስማ ሰበይቲ ኣምጽኣሉ። 7ዔር በዅሪ ይሁዳ ግና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ነበረ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ቀተሎ። 8ሽዑ ይሁዳ ንኦናን፥ ናብ ሰበይቲ ሓውካ እቶ እሞ ውረሳ፡ ንሓውካ ድማ ዘርኢ ኣቝም፡ በሎ። 9ኦናን ግና እቲ ዘርኢ ንእኡ ኸም ዘይከውን ፈለጠ። ኰነ ኸኣ፡ ናብ ሰበይቲ ሓዉ ምስ ዝኣቱ፡ ንሓዉ ዘርኢ ምእንቲ ኸይህብ ኢሉ፡ ናብ ምድሪ ኸዓዎ። 10እቲ ዝገበሮ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ኰነ እሞ፡ ንእኡ ድማ ቀተሎ። 11ሽዑ ይሁዳ፡ ንሱ ድማ ከም ኣሕዋቱ ኸይመውት ኢሉ፡ ንታማር ሰበይቲ ወዱ፡ ወደይ ሼላ ኽሳዕ ዝዓቢ ኺዲ፡ ኣብ እንዳ ኣቦኺ መበለት ኴንኪ ተቐመጢ፡ በላ። ታማር ድማ ኸይዳ ኣብ እንዳ ኣቦኣ ተቐመጠት።
12ድሕሪ ብዙሕ መዓልቲ ድማ ጓል ሹዓ ሰበይቲ ይሁዳ ሞተት። ይሁዳ ምስ ተጸናንዐ፡ ንሱ ምስ ሒራ ኣዱላማዊ ፈታዊኡ ናብቶም ኣባጊዑ ዝቘርጹ ናብ ቲምናት ደየበ። 13ንታማር ድማ፡ እንሆ፡ ሓሙኺ ኣባጊዑ ክቘርጽ ናብ ቲምናት ይድይብ ኣሎ ኢሎም ነገርዋ። 14ንሳ ኸኣ፡ ሼላ ዓብዪ ኽንሱ፡ ሰበይቱ ኽትከውን ከምዘይተዋህበት ረኣየት እሞ፡ ክዳን ምብልውናኣ ኣንቢራ፡ መጐልበቢ ተጐልቢባ ኣብ ጥቓ መገዲ ቲምናት ኣብ ዘላ ደገ ዔናይም ተቐመጠት። 15ይሁዳ ምስ ረኣያ፡ ገጻ ሸፊና ነበረት እሞ ኣመንዝራ መሰለቶ። 16ንሱ ኸኣ ሰበይቲ ወዱ ምዃና ኣይፈለጠን እሞ፡ ኣብቲ ጥቓ መገዲ ናብኣ ኣግሊሱ፡ በጃኺ፡ ናባኺ ኽኣቱ ሕደግኒ፡ በላ። ንሳ ድማ፡ ናባይ ክትኣቱስ እንታይ እሞ ትህበኒ፧ በለቶ። 17ኣነ ኻብ መጓሰይ ጥቦት ማሕስእ እሰደልኪ፡ በላ። ንሳ ኸኣ፡ ክሳዕ እትሰደለይከ ታሕዚዶ ትህበኒ ኢኻ፧ በለቶ። 18ንሱ ኸኣ፡ እንታይ ታሕዙ እሞ ኽህበኪ፧ በለ። ቀለቤትካን ማዕተብካን እዛ ኣብ ኢድካ ዘላ በትርኻን፡ በለት። ሃባ እሞ ኣተዋ ኽኣ፡ ንሳውን ካብኡ ጠነሰት። 19ተንሲኣ ኸኣ ከደት፡ መጐልበቢኣ ኣንቢራ ድማ ክዳን ምብልውናኣ ተኸድነት። 20ይሁዳ እቲ ታሕዚ ኻብ ኢድ እታ ሰበይቲ ኽወስድ፡ ብኢድ እቲ ኣዱላማዊ ፈታዊኡ ጥቦት ማሕስእ ሰደደላ። ንሱ ግና ኣይረኸባን። 21ነቶም ሰብ እታ ቦታ እቲኣ፡ እታ ኣብ ኤናይም ኣብ መገዲ ተቐሚጣ ዝነበረት ኣመንዝራ ኣበይ እያ ዘላ፧ ኢሉ ሓተተ። ኣብዚ ኣመንዝራ ኣይነበረትን፡ በሉ። 22ናብ ይሁዳ ተመልሊሱ ድማ፡ ኣይረኸብክዋን፡ እቶም ሰብ እታ ቦታ እቲኣ ኸኣ፡ ኣብዝስ ኣመንዝራ ኣይነበረትን፡ ኢሎም በሎ። 23ይሁዳ ድማ፡ እንሆ፡ እዚ ጥቦትዚ ሰዲደ፡ ንስኻ ኸኣ ኣይረኸብካያን እሞ፡ መላገጺ ኸይንኸውንሲ፡ ትውሰዶ፡ በለ።
24ኰነ ድማ፡ ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ኣቢሉ ንይሁዳ፡ ታማር፡ ሰበይቲ ወድኻ ዘምያ፡ እንሆ ኸኣ ብዝሙት ጠኒሳ ኣላ፡ ኢሎም ነገርዎ። ይሁዳ ድማ፡ ኣውጽእዋ እሞ ትንደድ፡ በለ። 25ምስ ኣውጽእዋ ድማ፡ ናብ ሓሙኣ፡ ኣነ ኻብ በዓል እዚ እየ ጠኒሰ ዘሎኹ፡ኢላ ሰደደት። እዚ ቐለቤት እዚ፡ እዚ መዓትብ እዚ፡ እዛ በትሪ እዚኣንሲ ናይ መን ከም ዝዀና፡ እስኪ ኣለሊ በጃኻ፡ ድማ በለት። 26ይሁዳ ኸኣ ኣለልይዎ፡ ንወደይ ሼላ ካብ ዘይሃብክዋስ፡ ካባይ ንሳ ትቐንዕ፡ በለ። ድሕርቲ ግና ኣይፈለጣን።
27ኰነ ኸኣ፡ ብግዜ ሕርሳ እንሆ፡ ኣብ ማሕጸና ማንታ ነበረ። 28ኰነ ድማ ክትወልድ ከላ፡ እቲ ሓደ ኢዱ ኣውጽአ፡ እታ መሕረሲት ከኣ፡ እዚ ቕድም ወጸ፡ ኢላ ቀይሕ ፈትሊ ወሲዳ ኣብ ኢዱ ኣሰረትሉ። 29ኰነ ድማ፡ ንሱ ኢዱ ምስ መለሰ እንሆ፡ ሓዉ ወጸ። ንሳ ኸኣ፡ ከመይ ሰንጢቕካ ባዕልኻ ወጻእካ፧ በለት። ስሙ ድማ ፋሬስ ተባህለ። 30ብድሕሪኡ ኸኣ እቲ ኣብ ኢዱ ቐይሕ ፈትሊ ዝነበሮ ሓዉ ወጸ። ስሙ ድማ ዘራሕ ተባህለ።

   ዘፍጥረት  ምዕራፍ 39            
   1ንዮሴፍ ከኣ ናብ ግብጺ ኣውረድዎ። ጶጢፋር፡ በዓል መዋእል ፈርኦን፡ ሓለቓ ዘብዐኛታት ዝነበረ ግብጻዊ ሰብኣይ ድማ ካብ ኢድ እቶም ናብኡ ዘውረድዎ እስማኤላውያን ተሻየጦ። 2እግዚኣብሄር ምስ ዮሴፍ ነበረ እሞ፡ ንሱ ዕዮኡ ዝቐንዓሉ ሰብኣይ ኰነ። ኣብ ቤት እቲ ግብጻዊ ጐይታኡ ድማ ነበረ። 3ጐይታኡ ኸኣ እግዚኣብሄር ምስኡ ኸም ዘሎን ንሱ ዝገበሮ ዅሉ ድማ እግዚኣብሄር ኣብ ኢዱ ኸም ዘቕንዓሉን ረኣየ። 4ዮሴፍ ከኣ ኣብ ቅድሚኡ ሞገስ ረኸበ፡ የገልግሎውን ነበረ። ኣዛዝ ቤቱ ገበሮ፡ ዘለዎ ዅሉ ኸኣ ኣብ ኢዱ ሃቦ። 5ኰነ ኸኣ፡ ኣብ ቤቱን ኣብ ኵሉ ጥሪቱን ካብ ዝሾሞ ግዜ ጀሚሩ፡ እግዚኣብሄር ምእንቲ ዮሴፍ ኢሉ ንቤት እቲ ግብጻዊ ባረኻ። ኣብ ቤትን ኣብ መሮርን ኣብ ዝነበረ ዅሉ ጥሪቱ በረኸት እግዚኣብሄር ነበረ። 6ዘለዎ ዅሉ ኣብ ኢድ ዮሴፍ ኣሕሊፉ ሃቦ። ዘለዎ ዘበለ ድማ፡ ብዘይ እታ ዝበልዓ እንጌራ ገለኳ ኣይፈለጠን። ዮሴፍ ከኣ መልክዐኛ፡ ትርኢቱ ድማ ጽቡቕ ነበረ። 7ድሕርዚ ነገርዚ ኸኣ ዀነ፡ ንዮሴፍ ሰበይቲ ጐይታኡ ዓይና ኣውደቐትሉ እሞ፡ ምሳይ ደቅስ፡ በለቶ። 8ንሱ ድማ እናኣበየ፡ ንሰበይቲ ጐይታኡ፡ እንሆ፡ ጐይታይ ኣብ ቤቱ ምሳይ እንታይ ከም ዘሎ ኣይፈልጥን እዩ፡ ዘለዎ ዅሉ ድማ ኣብ ኢደይ ሂቡኒ እዩ፡ 9ኣብዛ ቤት እዚኣ ኻባይ ዝስልጥን የልቦን፡ ሰበይቱ ኢኺ እሞ፡ ብጀካኽስ ገለኳ ኣይከልኣንን። ከመይ ገይረኸ እዚ ዓብዪ ኽፍኣትን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከኣ ሓጢኣትን ክገብር እኽእል፧ በላ። 10ኰነ ድማ፡ መዓልቲ ንመዓልቲ ንዮሴፍ እናተዛረበቶ ኽንሳ፡ ንሱ ምስኣ ኽድቅስ ወይስ ምስኣ ኽነብር ኣይሰምዓን። 11ኰነ ኸኣ፡ ሓንቲ መዓልቲ ዕዮኡ ኽገብር ናብ ቤት ኣተወ፡ ኣብኣ ኣብታ ቤት ድማ ካብ ሰብ ቤት ገለ ሰብ ኣይነበረን። 12ብኽዳኑ ቀጥ ኣቢላ ሒዛ ድማ፡ ምሳይ ደቅስ፡ በለቶ። ንሱ ግና ክዳኑ ኣብ ኢዳ ሓደገላ፡ ሃዲሙ ኸኣ ንግዳም ወጸ። 13ንሳ ድማ ክዳኑ ኣብ ኢዳ ኸም ዝሓደገን ንግዳም ከኣ ከም ዝሃደመን ምስ ረኣየት፡ 14ንስድራ ቤታ ጸዊዓ፡ ርኣዩ፡ ክሰሓቐልናስ እብራዊ ሰብኣይ ኣእትዩልና፡ ንሱ ምሳይ ክድቅስ ናባይ ኣተወ፡ ኣነ ኸኣ ዓው ኢለ ኣእዌኹ። 15ኰነ ድማ፡ ቃለይ ዓው ኣቢለ ኸም ዘእዌኹ ምስ ስምዐ፡ ክዳኑ ሓዲጉለይ፡ ሃዲሙ ንግዳም ወጸ፡ ኢላ ተዛረበቶም። 16ነቲ ኽዳኑ ድማ፡ ጐይታኡ ናብ ቤቱ ኽሳዕ ዝመጽእ፡ ምስኣ ኣንበረቶ። 17ከምዚ ኢላ ኸኣ እዚ ነገርዚ ነገረቶ፡ እቲ ዘምጻእካልና እብራዊ ባርያ ኽሰሓቐለይ ናባይ ኣተወ። 18ኰነ ድማ፡ ቃለይ ዓው ኣቢለ ምስ ኣእዌኹ፡ ክዳኑ ሓዲጉለይ ንግዳም ሃደመ። 19ኰነ ኸኣ፡ ጐይታኡ እታ ሰበይቱ ባርያኻ ኸምዚ ነገርዚ ገበረኒ፡ ኢላ ዝነገረቶ ዘረባ ሰምዐ፡ ኵራኡ ነደደ። 20ጐይታ ዮሴፍ ድማ ወሲዱ ናብታ ቤት ማእሰርቲ፡ እቶም እሱራት ንጉስ ዝእሰሩላ ቦታ፡ ኣእተዎ። ኣብኣ ኸኣ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ነበረ። 21እግዚኣብሄር ግና ምስ ዮሴፍ ነበረ፡ ምሕረት ድማ ገበረሉ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ሓለቓ ቤት ማእሰርቲ ኸኣ ሞገስ ሃቦ። 22እቲ ሓለቓ ቤት ማእሰርቲ ድማ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ንዝነበሩ ዅሎም እሱራት ኣብ ኢድ ዮሴፍ ኣሕሊፉ ሃቦ። ኣብኡ ዝገበሮ ዘበለ ዅሉ፡ ገባሪኡ ንሱ ነበረ። 23እግዚኣብሄር ምስኡ ስለ ዝነበረ፡ እቲ ሓለቓ ቤት ማእሰርቲ በቲ ኣብ ኢዱ ዝነበረ ብገለኳ ኣይሓልን ነበረ። ዝገበሮ ዅሉ ድማ እግዚኣብሄር የቕንዓሉ ነበረ።

   ዘፍጥረት  ምዕራፍ 40           
   1ድሕርዚ ነገርዚ ኸኣ ዀነ፡ ናይ ንጉስ ግብጺ ኣሰላፍ ሜሱን ሰንካት እንጌራኡን ንጐይታኦም ንጉስ ግብጺ በደሉ። 2ፈርኦን ድማ ብኽልቲኦም መኳንንቱ፡ ሓለቓ ኣሰለፍቲ ሜስን ሓለቓ ስንከትቲ እንጌራን፡ ተቘጥዐ፡ 3ናብ ቤት ሓለቓ ዘብዐኛታት ክሕለዉ፡ ናብታ ዮሴፍ ተኣሲሩላ ዝነበረ ቦታ፡ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተዎም። 4እቲ ሓለቓ ዘብዐኛታት ከኣ ንዮሴፍ ምስኦም ክኸውንኣዘዞ፡ ንሱ ድማ ኣገልገሎም። ኣብኡ ኸኣ ሓያሎ መዓልቲ ተሓለዉ።
5እቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተኣሲሮም ዝነበሩ ኣሰላፍ ሜሱን ሰንካት እንጌራኡን ንንጉስ ግብጺ ኽልቲኦም ብሓንቲ ለይቲ በበይኑ ዝምፍታሑ ሐሕልሞም ሓለሙ። 6ዮሴፍ ንግሆ ናባታቶም ኣትዩ፡ እነዉለ ጕህዮም ረኣዮም። 7ሽዑ ነቶም ኣብ ቤት ጐይታኡ ምስኡ ዝሕለዉ ዝነበሩ መኳንንቲ ፈርኦን፥ እንታይ ኴንኩም ኢኹም ሎሚ ገጽኩም ጸሊምኩም ዘሎኹም፧ ኢሉ ሓተቶም። 8ሕልሚ ሓሊምና እሞ፡ ዝፈትሖ ድማ የልቦን፡ በልዎ። ዮሴፍ ድማ፥ እቲ ምፍታሕ ናይ እግዚኣብሄርዶ ኣይኰነን፧ እስኪ ሕልሙኸ ንገሩኒ፡ በሎም።
9እቲ ሓለቓ ኣሰለፍቲ ሜስ ከኣ ሕልሙ ንዮሴፍ፡ እንሆ፡ ብሕልመይ ኣብ ቅድመይ ኦም ወይኒ ርኤኹ። 10ኣብታ ኦም ወይኒ ድማ ሰለስተ ጨነፍር ነበረ፡ ክጥጥዕ ከሎ ኸኣ ዓምበበ፡ እቲ ዘለላኡ ድማ ብሱል ዘቢብ ሃበ። 11ጽዋእ ፈርኦን ድማ ኣብ ኢደይ ነበረት፡ ነቲ ዘቢብ ወሲደ ኸኣ ናብ ጽዋእ ፈርኦን ጸመቝክዎ፡ እታ ጽዋእ ድማ ንፈርኦን ኣብ ኢዱ ሃብክዎ። 12ዮሴፍ ከኣ በሎ፡ ምፍታሑ እዚ እዩ፡ እቲ ሰለስተ ጨንፈር ሰለስተ መዓልቲ እዩ። 13ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ፈርኦን ንርእስኻ ኽብ ከብል፡ ናብ ሽመት ቀደምካውን ክመልሰካ እዩ። ከምቲ ናይ ቀደም ኣሰላፊኡ ኸሎኻ ዝነበረ ስርዓት ከኣ፡ ጽዋእ ፈርኦን ኣብ ኢዱ ኽትህቦ ኢኻ። 14ምስ ዝቐንዓካ ድማ ዘክረኒ፡ በጃኻ፡ ምሕረት ግበረለይ፡ ንፈርኦን ከኣ ንገረለይ እሞ ካብዛ ቤት እዚኣ ኣውጽኣኒ። 15ኣነ ኻብ ምድሪ እብራውያን ብስርቂ እተጨዌኹ እየ እሞ፡ ኣብዚ ቤት ማእሰርቲ ዘእቱ ድማ ገለኳ ኣይገበርኩን።
16እቲ ሓለቓ ሰንከትቲ እንጌራ ኸኣ ጽቡቕ ከም ዝፈትሐ ምስ ረኣየ፡ ንዮሴፍ፡ ኣነ ድማ ብሕልመይ እንሆ፡ ሰለስተ መሶብ ጻዕዳ እንጌራ ኣብ ርእሰይ ነበረ። 17ኣብቲ ላዕላይ መሶብ ከኣ ካብ ኵሉ ዓይነት ብልዒ ፈርኦን ግቡር እንጌራ ነበረ። ካብቲ ኣብ ርእሰይ ዘሎ መሶብ ድማ ኣዕዋፍ ካብኡ ይበልዓ ነበራ፡ በሎ። 18ዮሴፍ ከኣ፡ ምፍታሑ እዚ እዩ፡ እቲ ሰለስተ መሶብ ሰለስተ መዓልቲ እዩ፡ 19ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ፈርኦን ርእስኻ ካባኻ ክወስድ፡ ኣብ ዕጨይቲ ድማ ክሰቕለካ እዩ። ስጋኻ ኸኣ ካባኻ ኣዕዋፍ ክበልዓኦ እየን፡ ኢሉ መለሰ።
20ኰነ ድማ፡ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ፡ ንፈርኦን መዓልቲ ልደቱ ነበረ እሞ፡ ንዅሎም ገለዉኡ ምሳሕ ገበረሎም። ሽዑ ንርእሲ ሓለቓ ኣሰለፍቲ ሜስን ርእሲ ሓለቓ ሰንከትቲ እንጌራን ኣብ ማእከል ገላውኡ ኽብ ኣበለ። 21ነቲ ሓለቓ ኣሰለፍቲ ሜስ ናብ ኣሰላፍነቱ መለሶ፡ ንሱ ድማ እቲ ጽዋእ ኣብ ኢድ ፈርኦን ሃበ። 22ነቲ ሓለቓ ሰንከትቲ እንጌራ ግና፡ ከምቲ ዮሴፍ ዝፈትሓሎም፡ ሰቐሎ። 23እቲ ሓለቓ ኣሰለፍቲ ሜስ ግና ንዮሴፍ ረስዖ እምበር፡ ኣይዘከሮን።

   ዘፍጥረት  ምዕራፍ 41            
   1ኰነ ድማ፡ ድሕሪ ኽልተ ዓመት ፈርኦን ሓለመ፡ እንሆ ኸኣ፡ ኣብ ገምገም ርባ ደው ኢሉ ነበረ። 2እንሆ ድማ፡ ሾብዓተ ንምርኣየን ጽቡቓት፡ ስጋአን ከኣ ስቡሓት ኣሓ ኻብቲ ርባ ወጺአን ኣብቲ ሰልሰላ ኽበልዓ ረኣየ። 3ደድሕሪአን ድማ እንሆ፡ ካልኦት ሾብዓተ ንምርኣየን ክፉኣት፡ስጋአን ከኣ ዓባሩ ኣሓ ኻብቲ ርባ ወጺአን ኣብ ጥቓ እተን ቀዳሞት ኣብ ገምገም ርባ ደው በላ። 4እተን ንምርኣየን ክፉኣት፡ ስጋአን ከኣ ዓባሩ ኣሓ ነተን ሾብዓተ ንምርኣየን ጽቡቓትን ስቡሓትን ኣሓ ወሓጥአን። ፈርኦን ድማ ተበራበረ። 5ደቀሰ እሞ ካልኣይ ሳዕውን ሓለመ፡ እንሆ ኸኣ፡ ኣብ ሓንቲ ብርዒ ሾብዓተ ፍሩያትን ጽቡቓትን ሰዊት ወጻ። 6ድሕሪአን ከኣ እንሆ፡ ሾብዓተ ቐጠንቲ ብንፋስ ምብራቕ ዝሃጐጓ ሰዊት ወጻ። 7እተን ቀጠንቲ ሰዊት ድማ ነተን ሾብዓተ ፍሩያትን ምሉኣትን ሰዊት ወሓጥአን። ፈርኦን ከኣ ተበራበረ፡ እንሆ ድማ፡ ሕልሚ ነበረ።
8ኰነ ድማ፡ ምስ ወግሐ፡ መንፈሱ ኣዕሎበጠ፡ ሽዑ ልኢኹ ንዅሎም ጠቢባን ግብጽን ንዅሎም ፈላጣትን ጸውዖም። ፈርኦን ከኣ ሕልሙ ነገሮም። ንፈርኦን ዝፈትሓሉ ግና ኣይነበረን። 9ሽዑ እቲ ሓለቓ ኣሰለፍቲ ሜስ ንፈርኦን ከምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ ኣነ ሎሚ ሓጢኣተይ ዘከርኩ። 10ፈርኦን ብገላውኡ ተቘጥዐ፡ ንኣይን ንሓለቓ ሰንከትቲ እንጌራን ከኣ ናብ ቤት ሓለቓ ዘብዐኛታት ኣእተወና። 11ኣነን ንሱን ብሓንቲ ለይቲ ሕልሚ ሓለምና፡ በበይኑ ዝምፍታሑ ሕልሚ ሓለምና። 12ኣብኡ ድማ እብራዊ ጐበዝ፡ ባርያ ሓለቓ ዘብዐኛታት፡ ምሳና ነበረ። ንእኡ ነገርናዮ፡ ንሱ ኸኣ ሕልምታትና ፈትሓልና፡ ንነፍሲ ወከፍ ከከም ሕልሙ ፈትሖ። 13ኰነ ድማ፡ ከምቲ ዝፈትሓልና ከምኡ ዀነ። ንኣይ ናብ ኣሰላፍነተይ መለሰኒ፡ ነቲ ኸኣ ሰቐሎ።
14ሽዑ ፈርኦን ልኢኹ ንዮሴፍ ጸውዖ። ቀልጢፎም ድማ ካብ ቤት ማእሰርቲ ኣውጽእዎ። ንሱ ኸኣ ተላጽዩ ኽዳኑ ለዊጡ ኣብ ፈርኦን ኣተወ። 15ፈርኦን ድማ ንዮሴፍ፡ ሕልሚ ሓሊመ፡ ዝፈትሖ ድማ የልቦን። ኣነ፡ ሕልሚ ምስ ሰማዕካ ኸም እትፈትሖ፡ ብዛዕባኻ ኽዛረቡ ሰሚዐ፡ በሎ። 16ዮሴፍ ድማ ንፈርኦን፡ እዚ ካባይ ኣይኰነን፡ ኣምላኽ ደኣ ንፈርኦን ነገር ሰላም ክመልሰሉ እዩ፡ ኢሉ መለሰ። 17ፈርኦን ድማ ንዮሴፍ ተዛረቦ፡ እንሆ፡ ኣነ ብሕልመይ ኣብ ገምገም ርባ ደው ኢለ ነበርኩ። 18እንሆ ኸኣ፡ ሾብዓተ ስቡሓትንመልክዐን ከኣ ጽቡቓትን ኣሓ፡ ካብቲ ርባ ደይበን፡ ኣብ ሰልሰላ ይበልዓ ነበራ። 19እንሆ ድማ፡ ደድሕሪአን ካልኦት ሾብዓተ፡ ከማታተን ዝምኽፋአን ኣብ ኵላ ሃገር ግብጺ እኳ ዘይርአኹ፡ ዝማሰናን ትርኢተን ኣዝየን ክፉኣትን ዓባሩን ኣሓ ወጻ። 20እተን ዓባሩን ክፉኣትን ኣሓ ድማ ነተን ሾብዓተ ቐዳሞት ስቡሓት ኣሓ ወሓጥአን፡ 21ኣብ ከብደን ድማ ኣተዋ። ኣብ ከብደን ከም ዝኣተዋ ኸኣ ኣይተፈልጠን፡ ትርኢተን ከም ቀደመን ክፉኣት ነበራ። ተበራበርኩ ድማ። 22ብሕልመይ ከኣ እንሆ፡ ሾብዓተ ፍሩያትን ጽቡቓትን ሰዊት ኣብ ሓንቲ ብርዒ ኽወጻ ርአኹ። 23ድሕሪአን ድማ እንሆ፡ ዓሸልን ቀጠንትን ብንፋስ ምብራቕ ዝሃጐጓ ሾብዓተ ሰዊት ወጻ። 24እተን ቀጠንቲ ሰዊት ድማ ነተን ሾብዓተ ጽቡቓት ሰዊት ወሓጥአን። እዚ ነቶም ጠቢባን ነገርክዎም፡ ዝፈትሓለይ ከኣ ኣይነበረን።
25ዮሴፍ ድማ ንፈርኦን በሎ፡ ሕልሚ ፈርኦን ሓደ እዩ። ኣምላኽ ክገብሮ ዘለዎ ንፈርኦን ኣግሃደሉ። 26እተን ሾብዓተ ጽቡቓት ኣሓ ሾብዓተ ዓመት እየን፡ እተን ሾብዓተ ጽቡቓት ሰዊት ድማ ሾብዓተ ዓመት እየን። ሕልሙ ሓደ እዩ። 27እተን ደድሕሪአን ዝወጻ ሾብዓተ ሰዊት ድማ ሾብዓተ ዓባሩን ክፉኣትን ኣሓ ኸኣ ሾብዓተ ዓመት እየን። እተን ዓሸል ብንፋስ ምብራቕ ዝሃጐጋ ሾብዓተ ሰዊት ድማ ሾብዓተ ዓመት ጥሜት ክዀና እየን። 28እቲ ንፈርኦን ዝነገርክዎ እዚ እዩ፡ ኣምላኽ እቲ ኽገብሮ ዘለዎ ንፈርኦን ኣርኣዮ። 29እንሆ፡ ኣብ ብዘላ ሃገር ግብጺ ብዙሕ ጽጋብ ዝዀነለን ሾብዓተ ዓመት ክመጻ እየን። 30ብድሕሪአን ከኣ ሾብዓተ ዓመት ጥሜት ክመጻ እየን። ብእአን እቲ ዅሉ ጽጋብ ኣብ ሃገር ግብጺ ኽርሳዕ እዩ። እቲ ጥሜት ከኣ ነታ ሃገር ክውድኣ እዩ። 31ንሱ ኣዝዩ ኽብርትዕ እዩ እሞ፡ ካብቲ ድሕሪት ዝኸውን ጥሜት እተላዕለ እቲ ኣብታ ሃገር ዝነበረ ጽጋብ ኣይፍለጥን። 32እቲ ፈርኦን ካልኣይ ሳዕ ደጊሙ ምሕላሙ እቲ ነገር ካብ ኣምላኽ ስለ እተቘርጸ እዩ፡ ኣምላኽ ከኣ ቀልጢፉ ኽገብሮ እዩ። 33ሕጂ ድማ ፈርኦን ኣስተውዓልን ፈላጥን ሰብኣይ ይድለ እሞ፡ ኣብ ምድሪ ግብጺ ይሽሞ። 34ፈርኦን ድማ በዘን ሾብዓተ ዓመት ጽጋብ ካብ ፍርያት ምድሪ ግብጺ ሓምሳይ ኣፍ ዘውጽኡ ኣዘዝቲ ኣብ ሃገር ይሽም። 35ናይዘን ዝመጻ ዘለዋ ዓመታት ጽጋብ ዝብላዕ ዝዀነ ዅሉ ይኣክቡ። እቲ እኽሊ ድማ ንቐለብ ክኸውን ኣብ ትሕቲ ኢድ ፈርኦን ኣብ ከተማታት ይደለብ፡ ይሓልውዎ ኸኣ። 36እቲ እኽሊ ድማ ኣብ ምድሪ ግብጺ ዝመጻ ሾብዓተ ዓመት ጥሜት ነታ ሃገር ክኸውን ይተዓቘር፡ እታ ሃገር ከኣ ብጥሜት ኣይትጠፍእን።
37እዚ ነገርዚ ድማ ኣብ ቅድሚ ፈርኦንን ኣብ ቅድሚ ዅሎም ገላውኡን ጽቡቕ ኰነ። 38ፈርኦን ከኣ ንገላውኡ፡ ከምዚ ዝበለ መንፈስ ኣምላኽ ዘለዎ ሰብኣይ ዶኾን ንረክብ፧ በሎም። 39ፈርኦን ድማ ንዮሴፍ፡ ኣምላኽ እዚ ኹሉ ንኣኻ ኻብ ኣፍለጠካ፡ ከማኻ ዝበለ ኣስተውዓልን ፈላጥን የልቦን። 40ንስኻ ኣብ ልዕሊ ቤተይ ኩን፡ ኵሉ ህዝበይ ንቓልካ ይተኣዘዝ፡ ኣነ ብዝፋነይ ጥራይ እየ ኻባኻ ዝዓቢ፡ በሎ። 41ፈርኦን ከኣ ንዮሴፍ፡ ርአ፡ ኣብ ልዕሊ ዅላ ሃገር ግብጺ ሸይመካ ኣሎኹ፡ በሎ። 42ፈርኦን ድማ ቀለቤቱ ኻብ ኢዱ ኣውጺኡ ናብ ኢድ ዮሴፍ ገበረሉ፡ ሻሽውን ከደኖ፡ ኣብ ክሳዱ ኸኣ ድሪ ወርቂ ገበረሉ። 43ናብ ካልአይቲ ሰረገላኡ ድማ ኣወጥሖ፡ ቀቅድሚኡ ኸኣ፡ ስገድ፡ ኢሎም ጨደሩ። ኣብ ልዕሊ ዅላ ሃገር ግብጺውን ሾሞ። 44ፈርኦን ድማ ንዮሴፍ፡ ኣነ ፈርኦን እየ፡ ኣብ ብዘላ ምድሪ ግብጺ ብዘይ ፍቓድካ ኢዱ ወይስ እግሩ ኣየልዕል፡ በሎ። 45ፈርኦን ከኣ ንዮሴፍ ስሙ ጻፍናት-ጳዕናሕ ኣውጽኣሉ። ኣሰናት፡ ጓል ጶጢፌራዕ ካህን ኦን፡ ሰበይቲ ኽትኰኖ ሃቦ። ዮሴፍ ከኣ ናብ ምድሪ ግብጺ ወጸ።
46ዮሴፍ፡ እቲ ኣብ ቅድሚ ፈርኦን ንጉስ ግብጺ ደው ክብል ከሎ፡ ወዲ ሰላሳ ዓመት ነበረ። ዮሴፍ ካብ ቅድሚ ፈርኦን ወጺኡ ናብ ብዘላ ምድሪ ግብጺ ዞረ። 47እታ ምድሪ ድማ በተን ሾብዓተ ዓመት ጽጋብ ብዙሕ ሓፍሻ ሃበት። 48ኣብ ምድሪ ግብጺ ዝነበረ ዅሉ ናይተን ሾብዓተ ዓመት እኽሊ ድማ ኣከበ፡ ነቲ እኽሊ ኸኣ ኣብ ከተማታት ደለቦ። እኽሊ እቲ ኣብ ዙርያ ኸተማታት ዝነበረ ግራሁ ድማ ነናብ ማእከል ከታማኡ ኣከበ። 49ዮሴፍ ከኣ፡ እቲ እኽሊ ቝጽሪ ዘይብሉ ነበረ እሞ፡ ምቝጻር ክሳዕ ዝሓድጎ፡ ከም ሑጻ ባሕሪ ኣዝዩ ብዙሕ ኣከበ።
50ገና ዓመት ጥሜት ከይመጸት ከላ፡ ኣሰናት፡ ጓል ጶጢፌራዕ ካህን ኦን፡ ዝወለደትሉ፡ ንዮሴፍ ክልተ ወዲ ተወልዱሉ። 51ዮሴፍ ድማ፡ ኣምላኽ ኵሉ መከራይን ኵሉ ቤት ኣቦይን ኣረሲዑኒ እዩ እሞ፡ ኢሉ ስም እቲ በዅሪ ምናሴ ኣውጽኣሉ። 52ነቲ ኻልኣይ ድማ፡ እግዚኣብሄር ኣብ ምድሪ መከራይ ኣፍርዩኒ፡ ኢሉ ስሙ ኤፍሬም ኣውጽኣሉ።
53እተን ኣብ ምድሪ ግብጺ ዝነበራ ሾብዓተ ዓመት ጽጋብ ከኣ ሓለፋ። 54ከምቲ ዮሴፍ ዝበሎ ድማ፡ እተን ሾብዓተ ዓመት ጥሜት ክኣትዋ ጀመራ። ኣብ ኵለን ሃገራት ከኣ ጥሜት ኰነ። ኣብ ብዘላ ምድሪ ግብጺ ግና እንጌራ ነበረ። 55ኵላ ሃገር ግብጺ ምስ ጠመየት ድማ፡ እቲ ህዝቢ ብዛዕባ እንጌራ ናብ ፈርኦን ጠርዐ። ፈርኦን ድማ ንኹሎም ግብጻውያን፡ ናብ ዮሴፍ ኪዱ እሞ ንሱ ዝብለኩም ግበሩ፡ በሎም። 56ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ድማ ጥሜት ኰነ። ዮሴፍ ከኣ ኵሉ ሪቕ ከፊቱ፡ ንግብጻውያን እኽሊ ሸጠሎም። እቲ ጥሜት ድማ ኣብ ሃገር ግብጺ እናበርትዐ ኸደ። 57እቲ ጥሜት ኣብ ኵላ ምድሪ እናበርትዐ ኸደ እሞ፡ ካብ ኵለን ሃገራት እኽሊ ክሽምቱ፡ ናብ ዮሴፍ ናብ ግብጺ ይመጹ ነበሩ።

   ዘፍጥረት  ምዕራፍ 42            
   1ያእቆብ ድማ ኣብ ግብጺ እኽሊ ኸም ዘሎ ረኣየ እሞ፡ ያእቆብ ንደቁ፡ ስለምንታይ ንሓድሕድኩም ትርኣኣዩ፧ በሎም። 2እንሆ፡ እኽሊ ኣብ ግብጺ ኸም ዝርከብ ሰሚዐ፡ ክንድሕንን ከይንመውትን ከኣ ናብኣ ወሪድኩም፡ ካባኣ ሸምቱልና፡ በሎም። 3እቶም ዓሰርተ እሕዋት ዮሴፍ ከኣ እኽሊ ክሽምቱ፡ ናብ ግብጺ ወረዱ። 4ንብንያም ሓው ዮሴፍ ግና፡ ገለ ድንገት ከይረኽቦ ኢሉ፡ ያእቆብ ምስ ኣሕዋቱ ኣይሰደዶን። 5ኣብ ምድሪ ኸነኣን ጥሜት ነበረ እሞ፡ ደቂ እስራኤል ኣብ መንጎ እቶም ዝመጹ ዀይኖም እኽሊ ኽሽምቱ መጹ። 6ነታ ሃገር ዝእዝዛ ድማ ዮሴፍ ነበረ፡ ንዅሉ ህዝቢ እታ ሃገር እኽሊ ዝሽምት ከኣ ንሱ ነበረ። ኣሕዋት ዮሴፍ ድማ መጹ፡ ኣብ ቅድሚኡ ብገጾም ኣብ ምድሪ ተደፍኡ። 7ዮሴፍ ከኣ ኣሕዋቱ ርእዩ ኣለለዮም፡ ንርእሱ ግና ጓና ኣምሰለሎም፡ ኣበርቲዑ ድማ ተዛረቦም፡ ካበይ ዝመጻእኩም ኢኹም፧ ድማ በሎም። ካብ ምድሪ ኸነኣን እኽሊ ኽንሽምት፡ በሉ። 8ዮሴፍ ከኣ ነሕዋቱ ኣለለዮም፡ ንሳቶም ግና ኣየለለይዎን። 9ዮሴፍ ድማ ነቲ ብዛዕብኦም ሓሊምዎ ዝነበረ ሕልምታት ዘከረ፡ ንስኻትኩም፡ እዛ ሃገር ቃልዕ ምዃና ኽትርእዩ ዝመጻእኩም፡ ሰለይቲ ኢኹም፡ ከኣ በሎም። 10ንሳቶም መለሱሉ፡ ኣይፋልናን ጐይታይ፡ ገላውኻስ ቀለብ ክሽምቱ ደኣ መጹ፡ ድማ በልዎ። 11ንሕና ዅልና ደቂ ሓደ ሰብኣይ ኢና፡ ንሕና ቕኑዓት ኢና፡ ገላዉኻ ሰለይቲ ኣይኰኑን። 12ንሱ ድማ፡ ኣይፋልኩምን፡ እዛ ሃገር ቃልዕ ምዃና ኽትርእዩ ዝመጻእኩም ኢኹም፡ በሎም። 13ንሳቶም ከኣ፡ ንሕና ገላዉኻ ኣብ ምድሪ ኸነኣን ዓሰርተው ክልተ ኣሕዋት፡ ደቂ ሓደ ሰብኣይ ኢና። እንሆ ድማ፡ እቲ ንእሽቶ ሎሚ ምስ ኣቦና ኣሎ፡ እቲ ሓደ ኸኣ የሎን፡ በሉ። 14ዮሴፍ ድማ በሎም፡ እቲ ሰለይቲ ኢኹም ኢለ ዝበልኩኹም ንሱ እዩ። 15በዚ ኽትፍተኑ ኢኹም፡ እቲ ንእሽቶ ሓውኩም ናብዚ ኸይመጸ፡ ካብዚ ኸይትወጹ፡ ህይወት ፈርኦን እዩ። 16ሓደ ኻባኻትኩም ንሓውኩም ዘምጽእ ስደዱ፡ ንስኻትኩም ድማ ሓቂ እንተሎኩም፡ ዘረባኹም ክፍተን፡ ክትእሰሩ ኢኹም። እንተዘይኰነስ፡ ብህይወት ፈርኦን፡ ሰለይቲ ኢኹም። 17ብሓደ ገይሩ፡ ሰለስተ መዓልቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣሐለዎም።
18ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ድማ ዮሴፍ በሎም፡ ኣነ ኣምላኽ እፈርህ እየ እሞ፡እዚ ግበሩ ትነብሩ ድማ። 19ቅኑዓት እንተዄንኩምሲ፡ ሓደ ሓውኩም ኣብታ ተኣሲርኩምላ ዝነበርኩም ቤት ይተኣሰር። ንስኻትኩም ድማ ኬድኩም፡ እቲ ንጥሜት ኣባይትኹም ዝኸውን እኽሊ ኣብጽሑ። 20እቲ ንእሽቶ ሓውኩም ድማ ናባይ ኣምጽእዎ፡ እቲ ቓልኩም ከኣ ሓቂ ምዃኑ ይእመን፡ ኣይትሞቱን ድማ። ከምኡውን ገበሩ። 21ንሓድሕዶም ከኣ፡ ብሓቂ ኣብ ሓውና በደልና፡ እቲ ምሕረት ክልምነና ኸሎ፡ ጸበባ ነፍሱ እናረአና ኣይሰማዕናዮን፡ ብሰሪዚ፡ እዚ መከራዚ በጽሓና፡ ተባሃሃሉ። 22ሮቤል ከኣ፡ ኣብዚ ቘልዓ ኣይትበድሉ፡ ኢለዶ ኣይበልኩኹምን፧ ንስኻትኩም ግና ኣይሰማዕኩምንን። ስለዚ ድማ እንሆ፡ ደሙ ይድለ ኣሎ፡ ኢሉ መለሰሎም። 23ኣስተርጓሚ ኣብ መንጎኦም ነበረ እሞ፡ ንሳቶም፡ ዮሴፍ ከም ዝሰምዖም ኣይፈለጡን ነበሩ። 24ካባታቶም ኣግሊሱ ኸኣ በኸየ፡ ናባታቶም ተመሊሱ ድማ ተዛረቦም፡ ንስምኦን ከኣ ካባታቶም ወሲዱ ኣብ ቅድሚኦም ኣሰሮ።
25ዮሴፍ ድማ ነቲ ዓያብቶም እኽሊ ኽመልኣሎም እቲ ገንዘቦም ከኣ ኣብ ዐዓይበቶም ክመልሱሎም፡ ንመገዲውን ሲቂ ክህብዎም ኣዘዘ። ከምኡ ኸኣ ገበሩሎም። 26እቲ እኽሊ ኣብ ኣእዱጎም ጽዒኖም ከኣ ካብኡ ኸዱ። 27ኣብ መሕደሪ ድማ ሓደ ኻባታቶም ንኣድጉ ድርቋ ኽህብ፡ ዓይበቱ ኸፈተ፡ እንሆ፡ እቲ ገንዘቡ ኣብ ኣፍ ዓይበቱ ረኣየ። 28ነሕዋቱ ኸኣ፡ እቲ ገንዘበይ ተመሊሱ፡ እንሆ ኣብ ዓይበተይ፡ በሎም። ልቦም መሊቝዎም ራዕራዕ እናበሉ፡ ንሓድሕዶም፡ እዚ ኣምላኽ ገይሩና ዘሎ እንታይ እዩ፧ ተባሃሃሉ።
29ናብ ኣቦኦም ያእቆብ ድማ ናብ ምድሪ ኸነኣን መጹ፡ ዝበጽሖም ኵሉ ኸኣ ከምዚ ኢሎም ነገርዎ፡ 30እቲ ሰብኣይ፡ ጐይታ እታ ሃገር፡ ኣበርቲዑ ተዛረበና፡ ከም ሰለይቲ እታ ሃገር ከኣ ገበረና። 31ንሕና ሰለይቲ ኣይኰንናን፡ ቅኑዓት ሰብ ኢና፡ 32ንሕና ዓሰርተው ክልተ ኣሕዋት ደቂ ኣቦና ኢና፡ እቲ ሓደ የሎን፡ እቲ ንእሽቶ ድማ ሎሚ ምስ ኣቦና ኣብ ምድሪ ኸነኣን ኣሎ፡ በልናዮ። 33እቲ ሰብኣይ፡ ጐይታ እታ ሃገር ከኣ፥ ንስኻትኩም ቅኑዓት እንተ ዄንኩም፡ በዚ ኽፈልጥ እየ፡ ሓደ ሓውኩም ምሳይ ሕደጉ፡ እቲ ንጥሜት ኣባይትኹም ዝኸውን እኽሊ ሒዝኩም ድማ ኪዱ። 34ነቲ ንእሽቶ ሓውኩም ከኣ ናባይ ኣምጽእዎ። ሽዑ ንስኻትኩም ቅኑዓት እምበር፡ ሰለይቲ ኸም ዘይኰንኩም እፈልጥ፡ ሓውኩም ድማ ክህበኩም እየ፡ ኣብዛ ሃገርውን ትነግዱ፡ በለና።
35ኰነ ኸኣ፡ ዓያብቶም ምስ ኣዕረቑ፡ እንሆ፡ ንነፍሲ ወከፍ እቲ ጥቕላል ገንዘቡ ኣብ ዓይበቱ ነበረ። ንሳቶምን ኣቦኦምን ነቲ ጥቕሉል ገንዘቦም ምስ ረኣዩ፡ ሰምበዱ። 36ኣቦኦም ያእቆብ ድማ፡ ውሉድ ዘየልቦ ገበርኩምኒ። ዮሴፍ የሎን፡ ስምኦን ከኣ የሎን፡ ንብንያምዶ ድማ ኽትወስድዎ ኢኹም፧ እዚ ዅሉ ኣባይ ኰይኑ ኣሎ፡ በሎም። 37ሮቤል ከኣ ነቦኡ፥ ኣብ ኢደይ ሕድሪ ሃበኒ፡ ኣነ ድማ ናባኻ ኽመልሶ፡ ናባኻ እንተ ዘየምጻእክዎ፡ ንኽልቲኦም ደቀይ ቅተል፡ ኢሉ ተዛረቦ። 38ንሱ ኸኣ፡ ሓዉ ሞይቱ፡ ንሱ ድማ በይኑ ተሪፉ እዩ እሞ፡ ወደይሲ ምሳኻትኩም ኣይወርድን። ኣብቲ እትኸድዎ መገዲ ገለ ጕድኣት እንተ ረኸቦ፡ ሽዑ ንሽበተይ ብሓዘን ናብ ሽኦል ተውርድዎ፡ በለ።

   ዘፍጥረት  ምዕራፍ 43            
   1እቲ ጥሜት ከኣ ኣብታ ሃገር በርትዐ። 2ኰነ ድማ፡ እቲ ኻብ ግብጺ ዘምጽእዎ እኽሊ በሊዖም ምስ ወድኡ፡ ኣቦኦም፡ ተመሊስኩም ሒደት እኽሊ ሸምቱልና፡ በሎም። 3ይሁዳ ኸኣ፡ እቲ ሰብኣይ ኣሕሚሙ፡ ሓውኩም ምሳኻትኩም እንተ ዘየሎ፡ ገጸይ ኣይትርእዩን ኢኹም፡ በለና። 4ንሓውና ምሳና ትሰዶ እንተ ዄንካ፡ ወሪድና እኽሊ ኽንሽምተልካ ኢና። 5ዘይትሰዶ እንተ ዄንካ ግና፡ እቲ ሰብኣይ፡ ሓውኩም ምሳኻትኩም እንተ ዘየሎ፡ ገጸይ ኣይትርእዩን ኢኹም፡ ኢሉና እዩ እሞ፡ ኣይንወርድን ኢና፡ በሎ። 6እስራኤል ከኣ፥ ስለምንታይ ነቲ ሰብኣይ ገና ሓደ ሓው ኣሎና ኢልኩም ብምንጋርኩም ኣኽፋእኩምለይ፧ በለ። 7ንሳቶም ድማ፡ እቲ ሰብኣይ ብዛዕባናን ብዛዕባ ወለዶናን፡ ኣቦኹም ገናዶ ብህይወቱ ኣሎ፧ ካልእ ሓውከ ኣሎኩምዶ፧ ኢሉ ኣጸቢቑ ሓተተና። ንሕና ኸኣ ከምቲ ዘረባኡ ነገርናዮ። ንሓውኩም ኣውርድዎ ኸምዝብለናዶ ፈሊጥና ኔርና፧ በሉ። 8ይሁዳ ድማ ነቦኡ እስራኤል፡ ንሕናን ንስኻን ሕጻናትናን ክንነብር እምበር፡ ከይንመውት፡ ተንሲእና ኽንከይድሲ፡ ነዚ መንእሰይ ምሳይ ስደዶ። 9ኣነ እውሓሶ፡ ካብ ኢደይ ድለዮ። ናባኻ ኣምጺአ ኣብ ቅድሜኻ ደው እንተ ዘየበልክዎ፡ ብዅሉ ዘበን ንኣኻ ሓጢኣት ከም ዝገበርኩ እኹን። 10ክሳዕ ሕጂ እንተ ዘይንድንጕስ፡ አረ ኻልኣይ እዋን እኳ ተመሊስና ምሃሎና ኔርና፡ በሎ። 11ሽዑ ኣቦኦም እስራኤል፥ እዚ እንተ ደኣ ዀይኑስ፡ ከምዚ ግበሩ፡ ካብ ፍረ እዛ ምድሪ ጸጽቡቑ ኣብ ዓያብትኹም ውሰዱ፡ ነቲ ሰብኣይ ዝኸውን ገጽ በረኸት፡ ሒደት ቀመም፡ ሒደት መዓር፡ ሽቱን ከርበን ካዕካዕን ለውዝን ተማልኡሉ። 12ገንዘብ ድማ ካዕበት ጌርኩም ኣብ ኢድኩም ውሰዱ፡ እቲ ኣብ ኣፍ ዓያብትኹም እተመልሰ ገንዘብ ከኣ፡ ምናልባሽ ናይ ጌጋ ኸይከውን፡ ብኢድኩም ምለስዎ። 13ንሓውኩምውን ውሰድዎ፡ ተንሲእኩም ከኣ ናብቲ ሰብኣይ ተመለሱ። 14ነቲ ሓደ ሓውኩምን ንብንያምን ምሳኻትኩም ምእንቲ ኽሰዶም፡ እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ኣብ ቅድሚ እቲ ሰብኣይ ምሕረት ይሃብኩም። ኣነ ውሉድ እንተ ሰኣንኩ፡ ውሉድ እስኣን፡ በሎም።
15እቶም ሰብ ድማ ነዚ ገጽ በረኸት እዚ ወሰዱ፡ ዕጽፊ ገንዘብ ከኣ ኣብ ኢዶም፡ ንብንያምውን ሒዞም ተንስኡ፡ ናብ ግብጺ ወሪዶም ድማ ኣብ ቅድሚ ዮሴፍ ደው በሉ። 16ዮሴፍ ከኣ ንብንያም ምሳታቶም ምስ ረኣዮ፡ ንኣዛዝ ቤቱ፥ እዞም ሰባት እዚኣቶም ቀትሪ ምሳይ ክምስሑ እዮም እሞ፡ ነዞም ሰባት ናብ ቤተይ ኣእትዎም፡ ሕሩድ ሓሪድካውን ኣዳሉ፡ በሎ። 17እቲ ሰብኣይ ድማ ከምቲ ዮሴፍ ዝበሎ ገበረ፡ እቲ ሰብኣይ ከኣ ነቶም ሰባት ናብ ቤት ዮሴፍ ኣእተዎም። 18እቶም ሰባት ድማ፡ ናብ ቤት ዮሴፍ ስለ ዘእተዎም፡ ፈርሁ፡ ብዛዕባ እቲ በታ ቐዳመይቲ ግዜ ኣብ ዓያብትና እተመልሰ ገንዘብ እዩ ንኣና ናብዚ ዘእተወና፡ ጐይዩ ሓደጋ ኽወድቀና እሞ፡ ባሮት ክንከውን፡ ንኣናን ነእዱግናን ክወስድ እዩ፡ ከኣ በሉ። 19ናብቲ ሰብኣይ፡ ኣዛዝ ቤት ዮሴፍ፡ ቀሪቦም ድማ፡ ኣብ ደገ ቤት ምስኡ ተዛረቡ፡ 20በል ጐይታይ፡ ብቐዳማይ እኽሊ ኽንሽምት ወሪድና ነበርና። 21ኰነ ኸኣ፡ ኣብ መሕደሪ ምስ በጻሕና፡ ዓያብትና ኸፈትና፡ እንሆ ኸኣ፡ ገንዘብ ነፍሲ ወከፍ ከም ሚዛኑ ኣብ ኣፍ ዐዓይበቱ ነበረ፡ ኣብ ኢድና ኸኣ መሊስናዮ ኣሎና። 22እቲ ገንዘብ ድማ ናብ ዓያብትና መን ከም ዘእተዎ ኣይንፈልጥን፡ ካልእ ገንዘብውን መሸመት እኽሊ ዝኸውን ኣብ ኢድና ኣምጺእና ኣሎና፡ በሉ። 23ንሱ ድማ፡ ኣጆኹም ኣይትፍርሁ። ኣብ ዓያብትኹም መዝገብ ዝሃበኩም ኣምላኽኩምን ኣምላኽ ኣቦኹም እዩ፡ ገንዘብኩምሲ ኣትዩኒ እዩ፡ በለ። ንስምኦን ከኣ ናባታቶም ኣውጽኦ። 24እቲ ሰብኣይ ነቶም ሰባት ናብ ቤት ዮሴፍ ኣእቲዩ ኣእጋሮም ክሕጸቡ ማይ ሃቦም፡ ነእዱጎም ድማ ድርቋ ሃበን። 25ኣብኡ ኸም ዝምስሑ ሰሚዕም ነበሩ እሞ ዮሴፍ ቀትሪ ኽሳዕ ዝመጽእ ነቲ ገጽ በረኸት ኣዳለዉዎ።
26ዮሴፍ ናብ ቤት ምስ መጸ፡ እቲ ኣብ ኢዶም ዘሎ ገጽ በረኸት ናብ ቤት ኣምጽኡሉ፡ ኣብ ምድሪ ተደፊኦም ከኣ ሰገዱሉ። 27ንሱ ድማ ብዛዕባ ጥዕናኦም ሓተቶም፡ እቲ ብዛዕብኡ እተዛረብኩምኒ ኣረጊት ኣቦኹምከ ደሓንዶ ኣሎ፧ ገናዶ ብህይወቱ ኣሎ፧ ከኣ በሎም። 28ንሳቶም ድማ፥ ኣቦና ጊልያኻ ደሓን እዩ፡ ብህይወቱ ኣሎ፡ በሉ፡ ድንን ኢሎም ድማ ሰገዱሉ። 29ዓይኑ ቛሕ ኣቢሉ ንብንያም ሓዉ ወዲ ኣዲኡ ርእዩ ድማ፥ እዝስ እቲ ብዛዕባኡ እተዛረብኩምኒ ንእሽቶ ሓውኩም ድዩ፧ በለ። ወደይ፡ እግዚኣብሄር ሞገስ ይሃብካ፡ ከኣ በሎ። 30ዮሴፍ ድማ ብዛዕባ ሓዉ ኣምዑቱ ትዅስኵስ ኢልዎ ተሃወኸ፡ ዝበኽየሉ ስፍራ ደልዩ ናብ ሕልፍኝኡ ኣተወ፡ ኣብኡ ኸኣ በኸየ። 31ገጹ ተሓጺቡ ወጸ፡ ልቡ ቐጥ ኣቢሉ ኸኣ፡ እንጌራ ኣቕርቡ፡ በለ። 32ሽዑ ንእኡ ንበይኑ፡ ንኣታቶም ድማ ንበይኖም፡ ነቶም ምስኡ ዝበልዑ ግብጻውያን ከኣ ንበይኖም ኣቕረቡሎም። ንግብጻውያን ምስ እብራውያን እንጌራ ምብላዕ ነውሪ እዩ እሞ፡ ስለዚ ግብጻውያን ምስኦም ክበልዑ ኣይኽእሉን እዮም። 33እቲ በዅሪ ኸም ብዅርናኡ፡ እቲ ንእሽቶ ኸኣ ከም ምንኣሱ ኣብ ቅድሚኡ ተቐመጡ። እቶም ሰባት ድማ ንሓድሕዶም ተደነቑ። 34ካብቲ ኣብ ቅድሚኡ ዝነበረ መብልዕ ከኣ ግዲኦም ኣቕረበሎም። ንብንያም ድማ ሓለፋ ግደ ዅሎም ሓሙሽተ ኢድ ኣቕረበሉ። ሰትዮም ድማ ምስኡ ተሓጐሱ።

   ዘፍጥረት  ምዕራፍ 44            
   1ንኣዛዝ ቤቱ ድማ፡ ንዓያብቲ እዞም ሰባት ክወስድዎ ኸም ዝኽእሉ ጌርካ እኽሊ ምልኣሎም። ገንዘብ ነፍሲ ወከፍ ድማ ኣብ ኣፍ ዐዓይበቱ ኣንብር። 2ነታ ጽዋአይ ድማ፡ እታ ጽዋእ ብሩር፡ ምስቲ ገንዘብ እኽሉ ጌርካ ናብ ኣፍ ዓይበት እቲ ንእሽቶ ግበራ፡ ኢሉ ኣዘዞ። ከምቲ ዮሴፍ ዝበሎ ቓል ከኣ ገበረ። 3ንግሆ ምስ በርሀ፡ ነቶም ሰባት ምስ ኣእዱጎም ይኺዱ ሓደግዎም። 4ንሳቶም ካብ ከተማ ወጺኦም፡ ገናኸይረሓቑ፡ ዮሴፍ ንኣዛዝ ቤቱ በሎ፥ ተንስእ፡ ደድሕሪ እዞም ሰባት ስዓብ እሞ፡ ምስ ኣርከብካዮም፡ ከመይ ኣብ ክንዲ ጽቡቕ ክፉእ ፈደኹም፧ 5እታ ጐይታይ ዝሰትየላን ብእኣ ድማ ምስጢር ዝፈልጠላን ጽዋእ እዚኣዶ ኣይኰነትን፧ እዚ ምግባርኩም ክፉእ ጌርኩም፡ በሎም።
6ንሱ ኸኣ ኣርከቦም፡ እዚ ነገርዚ ድማ ተዛረቦም። 7ንሳቶም ከኣ፥ ጐይታይ፡ ስለምንታይ ከምዚ ኢልካ ትዛረብ፥ ከምዚዝበለ ነገር ምግባርሲ ኻብ ገላዉኻ የርሕቆ፡ 8እቲ ኣብ ኣፍ ዓያብትና ዝረኸብናዮ ገንዘብ እኳ፡ እንሆ፡ ካብ ምድሪ ኸንኣን መሊስናልካ። ካብ ቤት ጐይታኻ ግዳ ኸመይ ጌርና ብሩር ኰነ ወይ ወርቂ ኽንሰርቕ፧ 9ካብ ገላዉኻ እቲ እተረኽበቶ ይሙት፡ ንሕና ኸኣ ባሮት ጐይታይ ንኹን፡ በልዎ። 10ንሱ ኸኣ፥ ሕጂ ኸም ዝበልኩሞ ይኹን። እቲ እተረኽበቶ፡ ንሱ ባርያይ ይኹን፡ ንስኻትኩም ግና ንጹሃት ኢኹም፡ በለ። 11ቀልጢፎም ከኣ ነፍሲ ወከፍ ዐዓይበቶም ናብ ምድሪ ኣውረዱ፡ ነፍሲ ወከፍ ድማ ዓይበቱ ኸፈተ። 12ንሱ ኸኣ በቲ ዓብዪ ጀሚሩ በቲ ንእሽቶ ኽሳዕ ዝውድእ ጐርጐሮም። እታ ጽዋእ ድማ ኣብ ዓይበት ብንያም ተረኽበት። 13ሽዑ ኽዳውንቶም ቀደዱ፡ ነፍሲ ወከፍ ኣድጉ ጽዒኑ ድማ ናብ ከተማ ተመልሱ። 14ይሁዳን ኣሕዋቱን ከኣ ናብ ቤት ዮሴፍ ኣተዉ። ንሱ ገና ኣብኣ ነበረ። ኣብ ቅድሚኡ ድማ ናብ ምድሪ ተደፍኡ። 15ዮሴፍ ከኣ፡ እዚ ዝገበርኩምዎ እንታይ ግብሩ እዩ፧ ከማይ ዝበለ ሰብ ፈላጢ ኸም ዝዀነስ ኣይትፈልጡንዶ፧ በሎም። 16ይሁዳ ድማ፥ ንጐይታይ እሞ እንታይ ክንብል ኢና፡ እንታይስ ክንዛረብ፧ ከመይ ጌርናኸ ርእስና ኸነጽድቕ፧ ኣምላኽ በደል ባሮትካ ረኸበ፡ እኔና ንሕናን እቲ ኣብ ኢዱ ጽዋእ እተረኽበቶን ባሮት ጐይታይ ኢና፡ በለ። 17ንሱ ግና፥ ከምዚዝበለ ምግባርሲ ኻባይ ይርሓቕ፡ እቲ ኣብ ኢዱ ጽዋእ እተረኽበቶ ሰብኣይ፡ ንሱ ባርያይ ይኹን፡ ንስኻትኩም ግና ናብ ኣቦኹም ብሰላም ደይቡ፡ በለ።
18ሽዑ ይሁዳ ናብኡ ቐሪቡ በለ፡ በል ጐይታይ፡ ጊልያካ ሓንቲ ቓል ኣብ እዝኒ ጐይታይ ክዛረብ እልምነካ ኣሎኹ፡ ንስኻ ከም ፈርኦን ኢኻ እሞ፡ ኵራኻ ኣብ ጊልያኻ ኣይንደድ። 19ጐይታይ ንገላውኡ፡ ኣቦ ወይ ሓውከ ኣሎኩምዶ፧ ኢሉ ሓተቶም። 20ንሕና ኸኣ ንጐይታይ፡ ኣረጊት ኣቦ ኣሎና፡ ኣብ እርግናኡ ዝወለዶ ንእሽቶ ቘልዓ ድማ፡ ሓዉ ኸኣ ሞይቱ፡ እዚ ድማ ካብ ደቂ ኣዲኡ በይኑ ተሪፉ፡ ኣቦኡ ኸኣ ይፈትዎ እዩ፡ በልናካ። 21ሽዑ ንስኻ ንገላውኻ፡ ዓይነይ ክርእዮ ናባይ ኣውርድዎ፡ በልካና። 22ንሕና ድማ ንጐይታይ፡ እቲ ወዲ ኣቦኡ ኽሓድጎ ኣይክእልን፡ ነቦኡ እንተ ሓደጎስ፡ ኣቦኡ ኽመውት እዩ፡ በልናዮ። 23ንገላዉኻ ድማ፡ እቲ ንእሽቶ ሓውኩም ምሳኻትኩም እንተ ዘይወረደ፡ ደጊም ገጸይ ኣይትርእዩንን ኢኹም፡ በልካና። 24ኰነ ኸኣ፡ ንሕና ናብ ጊልያኻ ኣቦይ ምስ ደየብና፡ ዘረባ ጐይታይ ነገርናዮ። 25ኣቦና ድማ፡ ተመሊስኩም ሒደት እኽሊ ሸምቱልና፡ በለ። 26ንሕና ኸኣ፡ ክንወርድ ኣይንኽእልን። እዚ ንእሽቶ ሓውና ምሳና እንተ ዘየሎ፡ ገጽ እቲ ሰብኣይ እቲ ኽንርኢ ኣይንኽእልን ኢና እሞ፡ እዚ ንእሽቶ ሓውና ምሳና እንተሎ ግና፡ ንወርድ፡ በልና። 27ኣቦይ ጊልያኻ ድማ፡ ሰበይተይ ክልተ ወዲ ኸም ዝወለደትለይ፡ ንስኻትኩም ትፈልጡ ኢኹም። 28እቲ ሓደ ኻባይ ወጸ፡ ኣነ ኸኣ፡ ብሓቂ ተበሊዑ እዩ፡ በልኩ። ክሳዕ ሕጂ ድማ ኣይርአኽዎን። 29ነዚ ኸኣ ካብ ቅድመይ እንተወሰድክምዎ እሞ ድንገት እንተ ረኸቦ፡ ንሽበተይ ብጓሂ ናብ ሽኦል ከተውርድዎ ኢኹም፡ በለና። 30ሕጂ ኸኣ ኣነ ናብ ኣቦይ ጊልያኻ እንተ መጻእኩ እሞ፡ እዚ ወዲ ምሳና እንተ ዘየሎ፡ ነፍሱ ምስ ነፍሲ ወዱ ስለ እተጣበቐት፡ 31ክኸውን ድማ እዩ፡ እዚ ወዲ ኸም ዘየሎ እንተ ረኣየ፡ ክመውት እዩ። ገላውኻ ኸኣ ንሽበት ኣቦና ጊልያኻ ብጓሂ ናብ ሽኦል የውርዱ። 32ጊልያኻ ነዚ ወዲ ኣብ ቅድሚ ኣቦይ፡ ናባኻ እንተ ዘየምጻእክዎ፡ ብዅሉ ዘበን ነቦይ ሓጢኣት ከም ዝገበርኩ እኸውን፡ ኢሉ ተዋሒስዎ እዩ። 33ሕጂ ድማ፡ጊልያኻ ኣብ ክንዲ እዚ ወዲ ንጐይታይ ባርያ ዀይኑ ክቕመጥ፡ እልምነካ ኣሎኹ። እዚ ወዲ ኸኣ ምስ ኣሕዋቱ ይደይብ። 34እዚ ወዲ ምሳይ ካብ ዘይህሉስ፡ ከመይ ኢለ ደኣ ናብ ኣቦይ ክድይብ እየ፧ እቲ ነቦይ ዝረኽቦ ኽፉእሲ ኣየርእየኒ።

   ዘፍጥረት  ምዕራፍ 45            
   1ሽዑ ዮሴፍ ኣብ ቅድሚ እቶም ምስኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ ዅሎም ልቡ ኸህድእ ኣይከኣለን እሞ፡ ዓው ኢሉ፡ ኵሎም ሰብ ካብ ቅድመይ ኣውጽኡለይ፡ በለ። እቲ ነሕዋቱ ኽላለዮም ከሎ፡ ምስ ዮሴፍ ገለ ሰብ እኳ ኣይነበረን። 2ቃሉ ዓው ኣቢሉ ድማ በኸየ፡ ግብጻውያን ከኣ ሰምዑ፡ ቤት ፈርኦንውን ሰምዐ። 3ዮሴፍ ድማ ነሕዋቱ፡ ኣነ ዮሴፍ እየ፡ ኣቦይከ ኽሳዕ ሕጂዶ ብህይወቱ ኣሎ፧ በሎም። ኣሕዋቱ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ሰምበዱ እሞ፡ ክመልሱሉ ኣይከኣሉን። 4ዮሴፍ ከኣ ነሕዋቱ፡ በጃኹም ናባይ ቅረቡ፡ በሎም። ቀረቡ ድማ። በለ ኸኣ፡ ኣነ ናብ ግብጺ ዝሸጥኩምኒ ዮሴፍ ሓውኩም እየ። 5ኣምላኽ እዩ ህይወት ንምድሓን ቀቅድሜኹም ዝለኣኸኒ እሞ፡ ሕጂ ድማ ናብዚ ስለ ዝሸጥኩምኒ ኣይትጕሃዩ፡ ኣይትጨነቑ። 6ኣብዛ ምድሪ ጥሜት ካብ ዝኸውን ሕጂ ኽልተ ዓመት ኰይኑ፡ ዘይሕረሰንን ዘይዕጸደንን ድማ ገና ሓሙሽተ ዓመት ኣለዋ። 7ኣምላኽ ግና ኣብ ምድሪ ተረፍ ምእንቲ ኸትርፈኩም፡ ብዓብዪ ምድሓን ድማ ህይወትኩም ክትድሕን፡ ቀቅድሜኹም ለኣኸኒ። 8ሕጂ ኸኣ ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ንስኻትኩም ኣይኰንኩምን ናብዚ ዝለኣኽኩምኒ። ንሱ ንፈርኦን ኣቦኡን ጐይታ ዅላ ቤቱን ገዛእ ኵላ ሃገር ግብጽን ገበረኒ። 9ቀልጢፍኩም ናብ ኣቦይ ደይቡ እሞ በልዎ፡ ዮሴፍ ወድኻ ከምዚ ይብል፡ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ዅላ ግብጺ ጐይታ ገበረኒ፡ ናባይ ውረድ፡ ኣይትደንጕ። 10ንስኻን ደቅኻን ደቂ ደቅኻን ኣባጊዕካን ኣሓኻን ዘሎካ ዅሉን ኣብ ቀረባይ ክትከውን፡ ኣብ ምድሪ ጎሼን ክትቅመጥ ኢኻ። 11ገና ሓሙሽተ ዓመት ጥሜት ተሪፉ ኣሎ እሞ፡ ንስኻን ቤትካን ኵሉ ዘሎካን ምእንቲ ኸይትሽገሩ፡ ኣብኡ ኽሓልየልካ እየ። 12ኣፈይ ትዛረበኩም ከም ዘላ ኸኣ፡ እንሆ፡ ኣዒንትኹምን ዓይኒ ሓወይ ብንያምን ይርእያ ኣለዋ። 13እቲ ዅሉ ኽብረተይ ኣብ ግብጽን እቲ ዝርአኽምዎ ዅሉን ነቦይ ንገርዎ። ነቦይ ከኣ ቀልጢፍኩም ናብዚ ኣውርድዎ። 14ኣብ ክሳድ ሓዉ ብንያም ወዲቑ ኸኣ በኸየ፡ ብንያም ድማ ኣብ ክሳዱ በኸየ። 15ንዅሎም ኣሕዋቱ ኸኣ እናበኸየ ሰዓሞም። ድሕርዚ ድማ ኣሕዋቱ ምስኡ ተዛረቡ።
16ኣብ ቤት ፈርኦን ከኣ፡ ኣሕዋት ዮሴፍ መጺኦም፡ ዝብል ወረ ተሰምዐ። እዝውን ንፈርኦንን ንገላውኡን ባህ ኣበሎም። 17ፈርኦን ድማ ንዮሴፍ በሎ፡ ነሕዋትካ፡ ከምዚ ግበሩ፡ በሎም፡ እንስሳኹም ጽዒንኩም ኪዱ፡ ናብ ምድሪ ኸነኣን ከኣ እተዉ። 18ኣቦኹምን ስድራቤትኩምን ሒዝኩም ድማ ናባይ ምጹ። ካብ ምድሪ ግብጺ ኸኣ እቲ ዝበለጸ ኽህበኩም እየ፡ ስብሒ እዛ ምድሪውን ክትበልዑ ኢኹም። 19እዚ ኽትገብሩ እእዝዘካ ኣሎኹ፡ ንሕጻናትኩምን ነንስትኹምን ሰረገላታት ካብ ምድሪ ግብጺ ውሰዱ እሞ፡ ነቦኹም ድማ ሒዝኩምዎ ምጹ። 20እቲ ኣብ ምድሪ ግብጺ ዘሎ ዘዝበለጸ ዅሉ ንኣኻትኩም እዩ እሞ፡ ኣቓሑኹም ርኢኹም ኣይትጕሃዩ። 21ደቂ እስራኤል ከኣ ከምኡ ገበሩ። ዮሴፍ ድማ ከምቲ ትእዛዝ ፈርኦን ሰረገላታት ሃቦም፡ ንመገዲ ኸኣ ስንቂ ሃቦም። 22ንነፍሲ ወከፎም ኵሎም ድማ ዝለዋወጥ ክዳውንቲ ሃቦም። ንብንያም ግና ሰለስተ ሚእቲ ሲቃል ብሩርን ሓሙሽተ ዝለዋወጥ ክዳውንትን ሃቦ። 23ነቦኡ ድማ ካብ ናይ ዘዝጸበቐ ነገር ግብጺ ጽዕነት ዓሰርተ ኣድጊ፡ ነቦኡ ንመገዲ ዝኾኖ ኸኣ እኽልን እንጌራን ካልእ ብልዕን ጽዕነት ዓሰርተ ኣንስተይቲ ኣድጊ ኸምዚ ገይሩ ሰደደሉ። 24ነሕዋቱ ድማ፡ ኣብ መገዲ ኣይትበኣሱ፡ ኢሉ ሰደዶም፡ ከዱ ኸኣ።
25ካብ ግብጺ ደይቦም ከኣ ናብ ኣቦኦም ያእቆብ ናብ ምድሪ ኸነኣን መጹ፡ 26ዮሴፍ ገና ብህይወቱ ኣሎ፡ ንዅላ ሃገር ግብጺ ዝገዝእ ዘሎውን ንሱ እዩ፡ ኢሎም ድማ ነገርዎ። ንሱ ግና ኣይኣመኖምን እሞ፡ ልቡ ደንጸወ። 27እቲ ዮሴፍ ዝበሎም ኵሉ ዘረባ ድማ ነገርዎ፡ እቲ ኽመጸሉ ኢሉ ዮሴፍ ዝሰደዶ ሰረገላታት ምስ ረኣየ ኸኣ፡ መንፈስ ኣቦኦም ያእቆብ ተሓደሰ። 28እስራኤል ድማ፥ ወደይ ዮሴፍስ ገና ብህይወቱ ኣሎ፡ ደጊም ይኣኽለኒ። ከይሞትኩ ደኣ ኸይደ ኽርእዮ፡ በለ።

   ዘፍጥረት  ምዕራፍ 46            
   1እስራኤል ድማ ምስ ኲሉ ዘለዎ ነቐለ። ናብ ብኤር-ሸባዕ ምስ በጽሐ፡ ኣብኡ ንኣምላኽ ኣቦኡ ይስሃቅ መስዋእቲ ሕሩድ ሰውአ። 2ኣምላኽ ድማ ንእስራኤል ብራእይ ለይቲ፡ ያእቆብ፡ ያእቆብ፡ ኢሉ ተዛረቦ። ንሱ ኸኣ፡ እኔኹ፡ በለ። 3ኣነ ኣምላኽ፡ ኣምላኽ ኣቦኻ እየ። ኣብኡ ዓብዪ ህዝቢ ኽገብረካ እየ እሞ፡ ናብ ግብጺ ምውራድ ኣይትፍራህ። 4ኣነ ምሳኻ ናብ ግብጺ ኽወርድ እየ፡ ብርግጽ ድማ ኣነ ኸደይበካ እየ። ዮሴፍ ከኣ ኢዱ ኣብ ልዕሊ ኣዒንትኻ ኸንብር እዩ፡ ድማ በለ።
5ያእቆብ ድማ ካብ ብኤር-ሸባዕ ተንስአ። ደቂ እስራኤል ከኣ ነቦኦም ያእቆብን ሕጻናቶምን ኣንስቶምን ኣብቲ ኽመጸሉ ኢሉ ፈርኦን ዝሰደደሉ ሰረገላታት ኣደየቡ። 6ያእቆብን ኲሉ ዘርኡ ድማ ምስኡ፡ ማሎምን ኣብ ምድሪ ኸነኣን ዘጥረይዎ ገንዘቦምን ወሲዶም፡ ናብ ግብጺ መጹ። 7ንደቁን ደቂ ደቁን፡ ነዋልዱን ኣዋልድ ደቁን፡ ንዂሉ ዘርኡ ድማ ምስኡ ናብ ግብጺ ኣምጽአ።
8እቶም ናብ ግብጺ ዝኣተዉ ደቂ እስራኤል። ያእቆብን ደቁን፡ ስሞም እዚ እዩ፡ በዂሪ ያእቆብ፡ ሮቤል። 9ደቂ ሮቤል ድማ፡ ሄኖክን ፋሉን ሄስሮንን ካርሚን። 10ደቂ ስምኦን ከኣ፡ የሙኤልን ያሚንን ኦሃድን ያኪንን ጾሓርን ሻኡል ወዲ እታ ኸነኣናዊትን። 11ደቂ ሌዊ ኸኣ፡ ገርሾንን ቀሓትን መራሪን። 12ደቂ ይሁዳ ድማ፡ ዔርን ኦርንን ሼላን ፋሬስን ዜራሕን። ዔርን ኦናንን ግና ኣብ ምድሪ ኸነኣን ሞቱ። ደቂ ፋሬስ ድማ ሔጽሮንን ሓሙልን እዮም። 13ደቂ ይሳኮር ከኣ፡ ቶላዕን ፉዋህን ዮብን ሽምሮንን። 14ደቂ ዛብሎን ድማ፡ ሰሬድን ኤሎንን ያሕኤልን። 15እዚኣቶም ንያእቆብ ኣብ ጳዳንኣራም ዝወለደትሉ ደቂ ልያ እዮም፡ ዲና ድማ ጓሉ። ኣወዳቱን ኣዋልዱን ኲሎም ሰላሳን ሰለስተን ነፍሲ። 16ደቂ ጋድ፡ ጺፍዮንን ሓጊን ሹኒን ኤጽቦንን ዔሪን ኣሮዲን ኣርኤሊን። 17ደቂ ኣሴር ከኣ፡ ዪምናን ዪሽዋን ዪሽዊን በርዓን ሴራሕ፡ ሓብቶምን። ደቂ በሪዓ ኸኣ፡ ሔበርን ማልኪኤልን። 18እዚኣቶም ደቂ ዚልጳ፡ እታ ላባን ንጓሉ ልያ ዝሃባ፡ እዮም። እዞም ዓሰርተው ሹድሽተ ነፍሲ ንያእቆብ ወለደትሉ። 19ደቂ ራሄል ሰበይቲ ያእቆብ ድማ፡ ዮሴፍን ብንያምን። 20ንዮሴፍ ከኣ ኣብ ሃገር ግብጺ እተወልዱሉ፡ ኣሰናት፡ ጓል ጶጢፌራ ካህን ኦን፡ ዝወለደትሉ፡ ምናሴን ኤፍሬምን እዮም። 21ደቂ ብንያም ድማ፡ ቤላዕን ቤከርን ኣሸቤልን ጌራን ናዓማንን ኤሒን ሮሽን ሙጲምን ሑጲምን ኣርድን። 22እዚኣቶም ንያእቆብ እተወልዱሉ ደቂ ራሄል፡ ኲሎም ዓሰርተው ኣርባዕተ ነፍሲ እዮም። 23ደቂ ዳን ድማ፡ ሑሺም። 24ደቂ ንፍታሌም ከኣ፡ የሕጽኤልን ጉኒን የጽርን ሺሌምን። 25እዚኣቶም ደቂ ቢልሃ፡ እታ ላባን ንራሄል ጓሉ ዝሃባ፡ እዮም። እዚኣቶም ኲሎም ሾብዓተ ነፍሲ ንያእቆብ ወለደትሉ። 26እቶም ምስ ያእቆብ ናብ ግብጺ ዝኣተዉ ነፍሳት፡ ካብ ሕቑኡ ዝወጹ ብጀካ ኣንስቲ ደቂ ያእቆብ፡ ኲሎም ስሳን ሹድሽተን ነፍሲ ነበሩ። 27ኣብ ግብጺ እተወልዱሉ ደቂ ዮሴፍ ከኣ ክልተ ነፍሲ ነበሩ። ናብ ግብጺ ዝኣተዉ ዂሎም ነፍሳት ቤት ያእቆብ ሰብዓ ነበሩ።
28ንሱ ቀቅድሚኡ ናብ ጎሼን ምእንቲ ኽመርሕ ድማ፡ ንይሁዳ ቀቅድሚኡ ናብ ዮሴፍ ሰደዶ። ናብ ምድሪ ጎሼን ከኣ ኣተዉ። 29ዮሴፍ ድማ ሰረገላኡ ኣጽዒኑ፡ ነቦኡ እስራኤል ክረክብ ናብ ጎሼን ደየበ። ምስ ተራእዮ ኸኣ፡ ኣብ ክሳዱ ወዲቑ፡ ኣብ ክሳዱ ነዊሕ ግዜ በኸየ። 30እስራኤል ድማ ንዮሴፍ፡ ገና ብህይወት ከም ዘሎኻ፡ ገጽካ ኻብ ርአኹ፡ ሕጂስ እሙት፡ በሎ። 31ዮሴፍ ከኣ ነሕዋቱን ንቤት ኣቦኡን በሎም፡ ናብ ፈርኦን ደይበ ኽነግሮ እየ፡ ኣብ ምድሪ ኸነኣን ዝነበሩ ኣሕዋተይን ቤት ኣቦይን ናባይ መጺኦም ኣለዉ። 32እዞም ሰባት እዚኣቶም ሰብ ማል እዮም እሞ፡ ጓሶት ኣባጊዕ እዮም። ኣባጊዖምን ኣሓኦምን ኲሉ ዘለዎም ድማ ኣምጺኦም ኣለዉ። 33ክኸውን ድማ እዩ፡ ፈርኦን ጸዊዑ፡ ተግባርኩም እንታይ እዩ፧ ምስ ዝብለኩም፡ 34ጓሳ ዘበለ ንግብጻውያን ጽዩፍ እዩ እሞ፡ ኣብ ምድሪ ጎሼን ምእንቲ ኽትቅመጡስ፡፡ገላዉኻ፡ ንሕናን ኣቦታትናን ድማ ካብ ንእስነትና ኽሳዕ ሕጂ ሰብ ማል ኢና፡ በሉ።

   ዘፍጥረት  ምዕራፍ 47            
   1ዮሴፍ ድማ ኣትዩ ንፈርኦን፡ ኣቦይን ኣሕዋተይን ምስ ኣባጊዖምን ኣሓኦምን ኲሉ ዘለዎምን ካብ ምድሪ ከንኣን ወጺኦም፡ እንሆ ድማ፡ ኣብ ምድሪ ጎሼን ኣለዉ፡ ኢሉ ነገሮ። 2ካብቶም ኣሕዋቱ ድማ ሓሙሽተ ሰብኣይ ወሲዱ፡ ኣብ ቅድሚ ፈርኦን ኣብጽሖም። 3ፈርኦን ከኣ ነሕዋቱ፡ ተግባርኩም እንታይ እዩ፧ በሎም። ንፈርኦን ድማ፡ ገላዉኻ፡ ንሕናን ኣቦታትናን ጓሶት ኣባጊዕ ኢና፡ በልዎ። 4ንፈርኦን ከኣ፡ ኣብ ምድሪ ኸነኣን ጥሜት ኣዝዩ በርቲዑ እዩ እሞ፡ ኣባጊዕ ገላዉኻ ዝጓሰያሉ ድማ የልቦን እሞ፡ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ብስደት መጺእና ኣሎና፡ ሕጂ ኸኣ ገላዉኻ ኣብ ምድሪ ጎሼን ክቕመጡ ንልምነካ ኣሎና፡ በልዎ። 5ፈርኦን ድማ ንዮሴፍ፡ ኣቦኻን ኣሕዋትካን መጺኦምኻ። 6ምድሪ ግብጺ ኣብ ቅድሜኻ እያ። ነቦኻን ኣሕዋትካን ከኣ ኣብዛ ምድሪ ኣብ ዝበለጸ ኣቐምጦም፡ ኣብ ምድሪ ጎሼን ይቀመጡ። ካባታቶም ከኣልቲ ሰባት እትፈልጦም እንተሎካ፡ ኣብ ማለይ ዋናታት ግበሮም፡ ኢሉ ተዛረቦ።
7ዮሴፍ ከኣ ነቡኡ ያእቆብ ኣምጺኡ ኣብ ቅድሚ ፈርኦን ደው ኣበሎ፡ ያእቆብ ድማ ንፈርኦን መረቖ። 8ፈርኦን ከኣ ንያእቆብ፡ ዘበን ህይወትካ ኽንደይ ዓመታት እዩ፧ በሎ። 9ያእቆብ ድማ ንፈርኦን፡ ዓመታት ዘበን ስደተይ ሚእትን ሰላሳን ዓመት እየን። ዓመታት ዘበን ህይወተይ ሒደትን ክፉኣትን እየን። ክንዲ እቲ ዓመታት ዘበን ህይወት ኣቦታተይ ብዘበን ስደቶም ኣይኣኽላን፡ በሎ። 10ያእቆብ ድማ ንፈርኦን መሪቑ ኻብ ቅድሚ ፈርኦን ወጸ። 11ዮሴፍ ከኣ ነቦኡን ነሕዋቱን ኣስፈሮም፡ ከምቲ ፈርኦን ዝኣዘዞ ኣብ ሃገር ግብጺ ኣብታ ዝበለጸት ምድሪ፡ ኣብ ምድሪ ራዕምሴስ ርስቲ ሃቦም። 12ዮሴፍ ድማ ነቦኡን ነሕዋቱን ንዂሉ ቤት ኣቦኡን ሓለየ፡ ከከም ብዝሒ ቔልዑኦም እናገበረ ይምግቦም ነበረ።
13እቲ ጥሜት ኣዝዩ ስለ ዝበርትዐ ድማ፡ ኣብ ኲላ ምድሪ እንጌራ ኣይነበረን። ምድሪ ግብጽን ምድሪ ኸነኣንን ከኣ ብምኽንያት ጥሜት ቃህመማ። 14ዮሴፍ ድማ በቲ ዝሸመትዎ እኽሊ ኣብ ምድሪ ግብጽን ኣብ ምድሪ ኸነኣንን እተረኽበ ዂሉ ገንዘብ ኣከበ። ዮሴፍ ከኣ ነቲ ገንዘብ ናብ ቤት ፈርኦን ኣእተዎ። 15ኣብ ምድሪ ግብጽን ኣብ ምድሪ ኸነኣንን ገንዘብ ምስ ተወድአ ድማ፡ ኲሎም ግብጻውያን ናብ ዮሴፍ መጺኦም፡ ስለምንታይ ኣብ ቅድሜኻ እንመውት፧ ገንዘብ ተወዲኡ እዩ እሞ፡ እንጌራ ሃበና፡ በልዎ። 16ዮሴፍ ከኣ፡ ገንዘብ እንተ ተወዲኡስ፡ ማልኩም ኣምጽኡ፡ ኣብ ክንዲ ማልኩም ክህበኩም፡ በለ። 17ማሎም ከኣ ናብ ዮሴፍ ኣምጽኡ። ዮሴፍ ድማ ኣብ ክንዲ ኣፍራስን ኣብ ክንዲ መጓሰ ኣባጊዕን ኣብ ክንዲ መጋርያ ኣሓን ኣብ ክንዲ ኣእዱግን እንጌራ ሃቦም። በታ ዓመት እቲኣ ኣብ ክንዲ ዂለን ማሎም እንጌራ መገቦም። 18እታ ዓመት እቲኣ ምስ መልአት ከኣ፡ በታ ኻልአይቲ ዓመት ናብኡ መጺኦም፡ ገንዘብ ከም እተወድአ፡ ንጐይታ ኣይንሓብኣሉን፡ እተን መጓሴታት ማል ድማ ምስ ጐይታይ ኣለዋ። ብጀካ ነፍስናን ምድርናን ኣብ ቅድሚ ጐይታይ ገለኳ ኣይተረፈን። 19ከመይ ንሕናን ምድርናን ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኻ እንመውት፧ ንኣናን ንምድርናን ብእንጌራ ተሻየጠና። ንሕናን ምድርናን ድማ ባሮት ፈርኦን ንኹን። ምእንቲ ኽንነብር እምበር፡ ከይንመውት፡ እታ ሃገር ከኣ ኸይትባድምሲ፡ ዘርኢ ሃበና፡ በልዎ። 20ግብጻውያን፡ ጥሜት ስለ ዝበርትዖም ከኣ፡ ነፍሲ ወከፎም ገግራቶም ሸጡ እሞ፡ ዮሴፍ ኲላ ምድሪ ግብጺ ንፈርኦን ክትከውን ተሻየጣ፡ እታ ምድሪ ድማ ናይ ፈርኦን ኰነት። 21ነቲ ህዝቢ ኸኣ፡ ካብታ ሓንቲ ወሰን ዶብ ግብጺ ኽሳዕ እታ ኻልአይቲ ወሰና፡ ናብ ከተማታት ኣግዓዞ። 22እቶም ካህናት ካብ ፈርኦን ምዱብ ግደ ነበሮም እሞ፡ እቲ ፈርኦን ዝሃቦም ግደ ስለ እተመገቡ፡ ምድሮም ኣይሸጡን፡ ስለዚ ንምድሪ ኻህናት ጥራይ ኣይተሻየጣን። 23ዮሴፍ ከኣ ንህዝቢ፡ እንሆ፡ ሎሚ ንኣኻትኩምን ንምድርኹምን ንፈርኦን ተሻይጠኩም እየ። እንሆልኩም ከኣ ዘርኢ፡ ነታ ምድሪ ዝርእዋ። 24ክኸውን ድማ እዩ፡ ብግዜ እቶቱ ሕምሻ ንፈርኦን ክትህቡ ኢኹም፡ ኣርባዕተ ኣፍ ከኣ ንኣኻትኩም። ንሱ ንዘርኢ ግራትን ንቐለብኩምን ኣብ ቤትኩም ንዘለዉን ንቐለብ ቈለውዕኩምን ክኸውን እዩ፡ በሎም። 25ንሳቶም ድማ፡ ንስኻ ኣድሓንካና፡ ኣብ ቅድሚ ጐይታይ ደኣ ሞገስ ንርከብ እምበር፡ ባሮት ፈርኦን ንኸውን፡ በሉ። 26ዮሴፍ ከኣ ነዚ፡ ብዛዕባ ምድሪ ግብጺ ሕምሻ ንፈርኦን ክኸውን፡ ክሳዕ ሎሚ ዘሎ ሕጊ ኣቘመ። ምድሪ ኻህናት በይና ጥራይ ንፈርኦን ኣይኰነትን።
27እስራኤል ድማ ኣብ ምድሪ ግብጺ ኣብ ሃገር ጎሼን ተቐመጠ። ኣብኣ ኸኣ ተረስተዩ፡ ፈረዩ፡ ኣዝዮም ድማ በዝሑ። 28ያእቆብ ድማ ኣብ ምድሪ ግብጺ ዓሰርተው ሾብዓተ ዓመት ገበረ። ዕድመ ያእቆብ፡ ዘበን ህይወቱ ድማ ሚእትን ኣርብዓን ሾብዓተን ዓመት ኰነ። 29እስራኤል ከኣ ኽመውት መዓልቱ ቐረበት። ንዮሴፍ ወዱ ጸዊዑ ድማ፡ ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ እንተ ደኣ ረኺበስ፡ ኢድካ ናብ ትሕቲ ሰለፈይ ኣእቱ እሞ ኣብ ምድሪ ግብጺ ኸይትቐብረኒ፡ በጃኻ ምሕረትን እምነትን ግበረለይ። 30ምስ ኣቦታተይ ምስ ዝድቅስ ግና፡ ካብ ግብጺ ተሰኪምካ ኣብ መቓብሮም ቅበረኒ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ኣነ ኸም ዘረባኻ እገብር፡ በለ። 31ምሓለለይ፡ በለ። መሓለሉ ድማ። እስራኤል ከኣ ኣብ ትርኣስ ዓራቱ ሰገደ።

   ዘፍጥረት  ምዕራፍ 48            
   1ኰነ ድማ፡ ድሕርዚ ነገርዚ ንዮሴፍ፡ እንሆ፡ ኣቦኻ ሓሚሙ፡ በልዎ። ንሱ ኸኣ ንኽልቲኦም ደቁ፡ ንምናሴን ኤፍሬምን፡ ምስኡ ወሰዶም። 2ንያቆብ ድማ፡ እንሆ፡ ወድኻ ዮሴፍ መጺኡካ፡ ኢሎም ነገርዎ። እስራኤል ከኣ ተጋዲሉ ኣብ ዓራቱ ኾፍ በለ። 3ያእቆብ ድማ ንዮሴፍ በሎ፡ እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ኣብ ሉዝ ኣብ ምድሪ ኸነኣን ተራእየኒ፡ ባረኸኒ ኸኣ፡ 4እንሆ፡ ኣነ ኸፍርየካን ከብዝሓካን፡ ንብዙሕ ህዝብታት ከኣ ክገብረካ እየ፡ ብድሕሬኻ ድማ እዛ ምድሪ እዚኣ ንዘርእኻ ርስቲ ዘለኣለም ገይረ ኽህቦ እየ፡ በለኒ። 5ሕጂ ኸኣ እቶም ኣነ ናባኻ ናብ ግብጺ ኸይመጻእኩኻ፡ ኣብ ምድሪ ግብጺ እተወልዱልካ ኽልቲኦም ደቅኻ ናተይ እዮም። ኤፍሬምን ምናሴን ከም ሮቤልን ስምኦንን ናተይ ክዀኑ እዮም። 6ብድሕሪኦም እትወልዶም ውሉድ ከኣ ንኣኻ ይኹኑ። ኣብቲ ርስቶም ብስም ኣሕዋቶም ይሰመዩ። 7ኣነ ድማ ካብ ጳዳን ምስ መጻእኩ፡ ኣብ ምድሪ ኸነኣን ንኤፍራታ ቕሩብ ምስ ተረፈትኒ፡ ኣብ መገዲ ኸሎኹ ራሄል ሞተትኒ። ኣብ መገዲ ኤፍራታ ኸኣ፡ ንሳ ቤት-ልሄም፡ ኣብኡ ቐበርኩዋ።
8እስራኤል ድማ ንደቂ ዮሴፍ ርእዩ። እዚኣቶም እንታዎት እዮም፧ በለ። 9ዮሴፍ ከኣ ነቦኡ፡ እዚኣቶም ኣምላኽ ኣብዚ ዝሃበኒ ደቀይ እዮም፡ በሎ። ንሱ ድማ፡ ክምርቖምሲ፡ በጃኻ፡ ናባይ ኣቕርቦም፡ በለ። 10ኣዒንቲ እስራኤል ከኣ ካብ እርግና እተላዕለ ለቁተን ነበራ እሞ፡ ክርኢ ኣይከኣለን። ናብኡ ድማ ኣቕረቦም፡ ንሱ ኸኣ ሰዓሞም፡ ሓቘፎምውን። 11እስራኤል ድማ ንዮሴፍ፡ ገጽካ እርኢ ኢለ ኣይሓሰብኩን ነይረ፡ ኣምላኽ ከኣ እንሆ፡ ንዘርእኻ ድማ ኣርአየኒ፡ በሎ። 12ዮሴፍ ከኣ ካብ ኣብራኹ ኣግልስ ኣቢልዎም ብገጹ ናብ ምድሪ ሰገደ። 13ዮሴፍ ድማ ንኽልቲኦም ወሲዱ፡ ንኤፍሬም ብየማኑ ናብ ጸጋም እስራኤል፡ ንምናሴ ኸኣ ብጸጋሙ ናብ የማን እስራኤል ገይሩ ናብኡ ኣቕረቦም። 14እስራኤል ድማ፡ ምናሴ በዅሪ ነበረ እሞ፡ ኣእዳዉ ኣመሓሊፉ የማነይቲ ኢዱ ዘርጊሑ ኣብ ርእሲ ኤፍሬም፡ ንሱ ኸኣ እቲ ንእሽቶ፡ ጸጋመይቲ ኢዱ ድማ ኣብ ርእሲ ምናሴ ኣንበረ። 15ንዮሴፍ ከኣ፡ እቲ ኣቦታተይ ኣብርሃምን ይስሃቅን ኣብ ቅድሚኡ እተመላለሱ ኣምላኽ፡ እቲ ኻብ ዝውለድ ጀሚሩ ኽሳዕ እዛ ምዓልቲ እዚኣ ዝመገበኒ ኣምላኽ፡ 16እቲ ኻብ ኵሉ ኽፉእ ዘድሓነኒ መልኣኽ። ንሱ ነዞም ደቂ እዚኦም ይባርኽ። ስመይን ስም ኣቦታተይ ኣብርሃምን ይስሃቅን ኣባታቶም ይጸዋዕ። ኣብ ማእከል ምድሪ ንምብዛሕ ድማ ይሰስኑ። 17ዮሴፍ ከኣ ኣቦኡ የማነይቲ ኢዱ ኣብ ርእሲ ኤፍሬም ከም ዘንበረ ምስ ረኣየ። ጐሃየ እሞ፡ ካብ ርእሲ ኤፍሬም ኣልዒሉ ናብ ርእሲ ምናሴ ኸሕልፋ ደልዩ፡ ንኢድ ኣቦኡ ሓዛ። 18ዮሴፍ ድማ ነቦኡ፡ ኣቦየ፡ ከምኡ ኣይኰነን፡ እቲ በዂሪ እዚ እዩ እሞ፡ የማነይትኻ ኣብ ርእሱ ኣንብር፡ በሎ። 19ኣቦኡ ግና ኣበየ፡ ፈሊጠ፡ ወደይ፡ ፈሊጠ ኣሎኹ። ንሱ ድማ ህዝቢ ክኸውን እዩ፡ ንሱ ድማ ዓብዪ ክኸውን እዩ።እቲ ንእሽቶ ሓዉ ግና ካብኡ ክዓቢ እዩ፡ ዘርኡውን ብዙሕ ህዝብታት ክኸውን እዩ፡ ድማ በሎ። 20በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ከምዚ ኢሉ መረቖም፡ እስራኤል፡ ኣምላኽ ከም ኤፍሬምን ከም ምናሴን ይግበርካ፡ ኢሉ ብኣኻ ኽምረቕ እዩ። ንኤፍሬም ከኣ ቅድሚ ምናሴ ገበሮ። 21እስራኤል ድማ ንዮሴፍ፡ እንሆ፡ ኣነ እመውት ኣሎኹ፡ ኣምላኽ ከኣ ምሳኻትኩም ክኸውን እዩ። ናብ ምድሪ ኣቦታትኩም ድማ ክመልሰኩም እዩ። 22ንኣኻ ድማ እታ ኻብ ኢድ ኣሞራውያን ብሴፈይን ብቐስተይን ዝወሰድክዋ ሓለፋ ኣሕዋትካ ሓደ ኽፍሊ ሂበካ ኣሎኹ።

   ዘፍጥረት  ምዕራፍ 49            
   1ያእቆብ ንደቁ ጸዊዑ፡ በተን ዳሕሮት መዓልታት ዝረኽበኩም ክነግረኩምሲ፡ ተኣከቡ፡ በሎም። 2ኣቱም ደቂ ያእቆብ፡ ተኣከቡ እሞ ስምዑ። ነቦኹም እስራኤል ከኣ ጽን በሉ።
3ሮቤል ንስኻ በኹረይ ኢኻ፡ ሓይለይን ቀዳማይ ጽንዓተይን፡ ብኽብረት ብሉጽ፡ ብስልጣን ከኣ ብሉጽ። 4ከም ፍሉሕ ማይ ገንፈልካ። ናብ መደቀስ ኣቦኻ ደየብካ፡ ሽዑ ኣርኪስካዮ ኢኻ እሞ፡ ብልጫ ኣይትረክብን። ናብ ዓራተይ ደየበ።
5ስምኦንን ሌውን ኣሕዋት እዮም። ኣስያፎም ኣጽዋር ዓመጻ እዩ፡ 6ብቝጥዓኦም ሰብኡት ቀተሉ፡ ብዅራኦም ድማ በረዀዳ ኣብዑር ቈሪጾም እዮም እሞ፡ ነፍሰይ ናብ ምኽሮም ኣይትእቶ፡ ክብረይ ከኣ ኣብ ኣኼባኦም ኣይትሕበር። 7እቲ ኹራኦም ብርቱዕ፡ ነድሮም ከኣ ጨካን ነበረ እሞ፡ ርጉም ይኹን። ኣብ ያእቆብ ክመቓቕሎም፡ ኣብ እስራኤል ድማ ፋሕ ከብሎም እየ።
8ኣታ ይሁዳ፡ ኣሕዋትካ ኸመስግኑኻ እዮም፡ ኢድካ ኣብ ክሳድ ጸላእትኻ ኽትከውን እያ፡ ደቂ ኣቦኻ ኽሰግዱልካ እዮም። 9ይሁዳ ሽደን ኣንበሳ እዩ። ወደይ፡ ካብ ምርኮ ደየብካ። ከም ኣንበሳ ተዀርምዩ ደቀሰ፡ ከም ኣንስተይቲ ኣንበሳ እኳ ደኣ፡ መን የተንስኦ፧ 10ሺሎ ኽሳዕ ዝመጽእ፡ ካብ ይሁዳ በትሪ፡ ዘንጊ ገዛኢ ኸኣ ካብ ማእከል ኣእጋሩ ኣይዝምብልን። ህዝብታት ይእዘዝዎ። 11ንገልገሉ ኣብ ጉንዲ ወይኒ፡ ንዒሉ እታ ኣድጉ ኸኣ ኣብ ብሉጽ ጨንፈር ወይኒ ይኣስር። ክዳውንቱ ብወይኒ፡ ነጸላኡ ድማ ብደም ዘቢብ ይሕጸብ። 12ኣዒንቱ ብወይኒ ክቔሓ፡ ኣስናኑ ኸኣ ብጸባ ኽጽዕድዋ እየን።
13ዛብሎን ኣብ ገምገም ባሕሪ፡ ንሱ ድማ ኣብቲ መዕረፍ መራኽብ ይነብር፡ ጐድኑ ኸኣ ኣብ ሲዶን ይጽጋዕ።
14ይሳኮር ሓያል ኣድጊ እዩ፡ ኣብ መንጎ ደምቤታት ማል ይድቅስ። 15እታ መዕረፊት ጽብቕቲ፡ እታ ምድሪ ድማ ልምዕቲ ኸም ዝዀነት ረኣየ። እሞ መንኲቡ ንምስካም ኣትሓተ፡ ጻዕራይ ግዙእ ድማ ዀነ።
16ዳን ከም ሓደ ኻብ ነገዳት እስራኤል ኰይኑ፡ ንህዝቡ ኪዳኒ እዩ። 17ዳን ኣብ መገዲ ተመን፡ ኣብ ጓል መገዲ ድማ ቀራን ተመን ክኸውን እዩ። ንፈረስ ሾዀናኡ ይነኽሶ፡ ንፈረሰኛ ኸኣ ንድሕሪት የውድቖ። 18ዎ እግዚኣብሄር፡ ንምድሓንካ ይጽበ ኣሎኹ።
19ንጋድ ጭፍራታት ከጨንቕዎ እዮም፡ ንሱ ግና እግር እግሮም ከጨንቖም እዩ።
20ካብ ኣሴር ስብሒ እንጌራኡ ይመጽእ፡ ንሱ ድማ ጣዕሚ ነገስታት ይህብ።
21ንፍታሌም እተፈነወት እራብ፡ ጥዑም ቃል ዝህብ እዩ።
22ዮሴፍ ፈራዪት ጨንፈር፡ ኣብ ጥቓ ዓይኒ ማይ ዘላ ፈራዪት ጨንፈር እዩ። ጨናፍሩ ኣብ ልዕሊ መካበብያ ይዝርግሕ። 23ቀስተኛታት ኣነዓብዎ፡ ፍላጻ ወርዊሮም ድማ ሰጐጒዎ። 24ቀስቱ ግና ጸኒዑ ይነብር፡ ቀላጽም ኣእዳዉ ድማ በእዳው እቲ ናይ ያእቆብ ሓያል፡ በቲ ሓላውን ከውሒ እስራኤልን ጸንዓ። 25በቲ ዝረድኣካ ኣምላኽ ኣቦኻ፡ በቲ ዝባርኸካ ዂሉ ዝኽእል፡ ካብ ላዕሊ በረኸት ሰማይ፡ ካብቲ ኣብ ታሕቲ ተዘርጊሑ ዘሎ ዓሚቑ ድማ በረኸት፡ ካብ ኣጥባትን ካብ ማሕጸንን ከኣ በረኸት። 26ካብ በረኸት ኣቦሓጎታተይ በረኸት ኣቦኻ ይዓዝዝ። ክሳዕ ናብ ወሰን እቶም ኲርባታት ዘለኣለም ይበጽሕ። ንሱ ኣብ ልዕሊ ርእሲ ዮሴፍ፡ ኣብ ናላ እቲ መስፍን ኣሕዋቱ ክኸውን እዩ።
27ብንያም ዘራፊ ተዂላ እዩ። ንግሆ ዝዘረፎ ይበልዕ፡ ምሸት ከኣ ዝማረኾ ይመቅል።
28እዚኣቶም ኲላቶም ዓሰርተው ክልተ ነገድ እስራኤል እዮም። እቲ ኣቦኦም እተዛረቦምን ዝመረቖምን ከኣ እዚ እዩ። ንነፍሲ ወከፍ ከከም ምርቓኡ መረቖም።
29-30ከምዚ ኢሉ ድማ ኣዘዞም፡ ኣነ ናብ ህዝበይ ክእከብ እየ። ኣብታ ኣብ ግራት ዔፍሮን ሔታዊ ዘላ በዓቲ ኸኣ ኣብታ ኣብ ግራት ማክጴላ፡ ኣብ መንጽር መምሬ ኣብ ምድሪ ኸነኣን ዘላ፡ ኣብርሃም ንመቓብር ርስቲ ኽትከዉን ካብ ዔፍሮን ሔታዊ ምስታ ግራት እተሻየጣ በዓቲ፡ ምስ ኣቦታተይ ቅበሩኒ። 31ንኣብርሃምን ንሳራ ሰበይቱን ኣብኣ ቐበርዎም፡ ንይስሃቅን ንሰበይቱ ርብቃን ከኣ ኣብኣ ቐበርዎም፡ ኣነ ድማ ንልያ ኣብኣ ቐበርክዋ። 32እታ ግራትን ኣብኣ ዘላ በዓትን ካብ ደቂ ሔት ተዓደገት። 33ያእቆብ ንደቁ እዚ ኣዝዙ ምስ ወድአ፡ ኣእጋሩ ናብ ዓራት ኣከበ፡ ነፍሱ ድማ ወጸት፡ ናብ ህዝቡውን ተኣከበ።

   ዘፍጥረት  ምዕራፍ 50            
   1ዮሴፍ ኣብ ገጽ ኣቦኡ ወዲቑ፡ ኣብ ልዕሊኡ በኸየ፡ ሰዓሞ ድማ። 2ዮሴፍ ከኣ ነቶም ፈዋሶ ገላዉኡ ነቦኡ ብቕዱይ ቅብኢ ኽለኽይዎ እዘዞም። እቶም ፈዋሶ ድማ ብቕዱይ ቅብኢ ለኸይዎ። 3መዓልታትት ምልካይ ከምኡ እየን ዝፍጸማ እሞ፡ ኣርብዓ መዓልቲ መልኡሉ። ግብጻውያን ድማ ሰብዓ መዓልቲ በኸዩሉ።
   4መዓልታት ሓዘን ምስ ሓለፋ ኸኣ፡ ዮሴፍ ንቤት ፈርኦን ተዛረቦም፡ በሎም ድማ፡ ኣብ ቅድሜኹም ሞገስ እንተ ደኣ ረኺበስ፡ በጃኹም ንፈርኦን ኣብ እዝኑ ኸምዚ ኢልኩም ንገሩለይ፡ 5ኣቦይ፡ እንሆ፡ ኣነ እመውት ኣሎኹ። ኣብታ ኣብ ሃገር ከነኣን ንኣይ ኢለ ዝዀዓትክዋ መቓብረይ ኣብኣ ቕበረኒ፡ ኢሉ ኣምሒሉኒ እዩ። ሕጂ ኸኣ ክድይብ እሞ ነቦይ ቀቢረ ኽምለስ ፍቐደለይ። 6ፈርኦን ድማ፡ ደይብ እሞ ከምቲ ዘምሓለካ፡ ነቦኻ ቕበሮ፡ በለ።
   7ዮሴፍ ከኣ ነቦኡ ክቐብሮ ደየበ። ኲላቶም ገላዉ ፈርኦንን ዓበይቲ ቤቱን፡ ኲላቶም ዓበይቲ ሃገር ግብጺ ድማ ምስኡ፡ 8ኲላቶም ስድራ ቤት ዮሴፍን ኣሕዋቱን ስድራ ቤት ኣቦኡን ድማ ደየቡ፡ ቈልዑኦምን ኣባጊዖምን ኣሓኦምን ጥራይ ኣብ ምድሪ ጎሼን ሓደጉ። 9ሰረገላታትን ፈረሰኛታትን ድማ ምስኡ ደየቡ እሞ ኣዝዩ ብዙሕ ጭፍራ ነበረ። 10ናብታ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ዘላ ዓውዲ ኣጣድ ከኣ መጹ፡ ኣብኣ ድማ ኣዝዩ ብርቱዕ ብኽያት በኸዪሉ። ነቦኡ ሾብዓተ መዓልቲ መልቀስ ገበሩሉ። 11እቶም ኣብታ ሃገር ዝቕመጡ ከነኣናውያን ድማ ነቲ ኣብ ዓውዲ ኣጣድ ዝዀነ መልቀስ ምስ ረኣዩ፡ እዚ ዓብዪ መልቀስ ግብጻውያን እዩ፡ በሉ። ስለዚ ኸኣ ስማ ኣቤልሚስራይም ተባህለት። ንሳ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ዘላ እያ።
   12ደቁ ድማ ከምቲ ዝኣዘዞም ገበሩሉ። 13እቶም ደቁ ኸኣ ጾይሮም ኣብ ምድሪ ኸነኣን ወሰድዎ፡ ኣብታ ኣብ መንጽር መምሬ ዘላ፡ ኣብርሃም ርስቲ ንመቓብር ኢሉ ኻብ ዔፍሮን ሔታዊ ምስታ ግራት እተሻየጣ፡ ኣብ በዓቲ ግራት ማክጴላ ቐበርዎ።
   14ዮሴፍ ነቦኡ ምስ ቀበሮ፡ ንሱ ምስ ኣሕዋቱን ምስቶም ነቦኡ ክቐብሩ ምስኡ ዝደየቡ ዂላቶምን ናብ ግብጺ ተመልሰ። 15ኣሕዋት ዮሴፍ ኣቦኦም ከም ዝሞተ ምስ ረኣዩ፡ ምናልባሽ ዮሴፍ ይጸልኣና እሞ፡ እቲ ዝገበርናዮ ዂሉ ኽፉእ ከኣ ይፈድየና፡ በሉ። 16ንዮሴፍ ድማ፡ ኣቦኻ ቕድሚ ሞቱ ኸምዚ ኢሉ ኣዘዘ፡ ኢሎም ለኣኹሉ፡ 17ንዮሴፍ፡ እቲ ኽፉእ ዝገበሩኻ በደል ኣሕዋትካን ሓጢኣቶምን ሕደገሎም ሕድርኻ፡ በልዎ። ሕጂ ኸኣ በደል ባሮት ኣምላኽ ኣቦኻ ይቕረ ኽትብል፡ ንልምነካ ኣሎና። ዮሴፍ ምስ ተዛረብዎ በኸየ። 18እቶም ኣሕዋቱ ድማ ከይዶም ኣብ ቅድሚኡ ፍግም ኢሎም ወደቑ፡ እንሆ፡ ንሕና ገላዉኻ ኢና፡ ከኣ በልዎ። 19ዮሴፍ ድማ፡ ኣይትፍርሁ። ኣነዶ ኣብ ክንዲ ኣምላኽ እየ፧ 20ንስኻትኩም ንኽፉአይ ሓሰብኩም፡ እግዚኣብሄር ግና፡ ከምቲ ሎሚ ዀይኑ ዘሎ ኽገብር ብዙሕ ህዝቢ ምእንቲ ኸድሕን፡ ንጽቡቕ ሓሰበ። 21ሕጂ ኸኣ ኣይትፍርሁ። ኣነ ንኣኻትኩምን ንቘልዑኹምን ኽቕልበኩም እየ፡ በሎም። ኣጻናንዖም ድማ፡ ንልቦም ዘሐጒስውን ተዛረቦም።
   22ዮሴፍ ድማ፡ ንሱን ቤት ኣቦኡን ኣብ ግብጺ ተቐመጡ። ዮሴፍ ከኣ ሚእትን ዓሰርተን ዓመት ገይሩ ነበረ። 23ዮሴፍ ድማ ንደቂ ኤፍሬም ክሳዕ ሳልሳይ ወለዶ ረኣየ፡ ደቂ ሚኪር ወዲ ምናሴ ኸኣ ኣብ ብርኪ ዮሴፍ ተወልዱ። 24ዮሴፍ ድማ ነሕዋቱ፡ ኣነ እመውት ኣሎኹ። ኣምላኽ ግና ብሓቂ ኽበጽሓኩም እዩ፡ ካብዛ ምድሪ እዚኣ ኸኣ ናብታ ንኣብርሃምን ንይስሃቅን ንያእቆብን ዝመሓለሎም ምድሪ ኸደዪበኩም እዩ፡ በሎም። 25ዮሴፍ ድማ ንደቂ እስራኤል፡ ኣምላኽ ብሓቂ ኽበጽሓኩም እዩ እሞ፡ ነዕጽምተይ ካብዚ ኣደይብዎ፡ ኢሉ ኣምሓሎም። 26ዮሴፍ ወዲ ሚእትን ዓሰርተን ዓመት ምስ ኰነ፡ ሞተ። ብቕዱይ ቅብኢ ድማ ለኸይዎ፡ ኣብ ሳጹን ገይሮም ከኣ ኣብ ግብጺ ኣንበርዎ።

Leave a Reply

መጽሓፍ ቅዱስ ትግርኛ
ብሉይን ሓድሽን ኪዳን
ብሉይ ኪዳን
ሓድሽ ኪዳን
መጽሓፍ ቅዱስ ትግርኛ
ብሉይን ሓድሽን ኪዳን

ብሉይ ኪዳን

ሓድሽ ኪዳን