ኦሪት ዘሁልቁ

1  2  3  4  5  6  7  8  9
10  11  12   13  14  15
16  17  18  19  20  21
22  23  24  25  26  27
28  29  30  31  32  33
34  35  36

        ዘሁልቁ ምዕራፍ 1      

   1ካብ ምድሪ ግብጺ ኻብ ዝወጹ ኣብ ካልአይቲ ዓመት፡ ኣብታ ኻልአይቲ ወርሒ ብቐዳመይቲ መዓልቲ፡ እግዚኣብሄር ኣብ በረኻ ሲና፡ ኣብ ድንኳን ምርኻብ፡ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ 2በብዓሌቶምን በብማይ ቤት ኣቦታቶምን ተባዕታይ ዘበለ ነንርእሲ ኸም ቁጽሪ ስሞም ናይ ብዘሎ ኣኼባ ደቂ እስራኤል ቁጽሪ ውሰድ። 3ንስኻን ኣሮንን፡ ኣብ እስራኤል ንዘለዉ ዅሎም ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ናብ ውግእ ክወጹ ዝኽእሉ በብሰራዊቶም ቁጸሮም። 4ኣብ ማይ ቤት ኣቦታቱ ዋና ዝኸውን ከካብ ነገር ሓደ ሰብ ምሳኻትኩም ይኹን። 5እቶም ምሳኻትኩም ደው ዝብሉ ሰባት ድማ ስሞም እዚ እዩ፡ ካብ ሮቤል፡ ኤሉጹር ወዲ ሸዴውር። 6ካብ ስምኦን፡ ሸሉሚኤል ወዲ ጹሪሻዳይ” 7ካብ ይሁዳ፡ ነኣሶን ወዲ ኣሚናዳብ። 8ካብ ይሳኮር፡ ናትናኤል ወዲ ጹዓር። 9ካብ ዛብሎን፡ ኤልያብ ወዲ ሐሎን። 10ካብ ደቂ ዮሴፍ፡ ካብ ኤፍሬም፡ ኤሊሻማዕ ወዲ ዓሚሁድ። ካብ ምናሴ፡ ገማልኤል ወዲ ጳዳህጹር። 11ካብ ብንያም፡ ኣቢዳን ወዲ ጊድዖኒ። 12ካብ ዳን፡ ኣሒዔዘር ወዲ ዓሚሻዳይ። 13ካብ ኣሴር፡ ጳግዒኤል ወዲ ዖክራን። 14ካብ ጋድ፡ ኤልያሳፍ ወዲ ድዑኤል። 15ካብ ንፍታሌም፡ ኣሒራዕ ወዲ ዔናን። 16እቶም ካብቲ ኣኼባ እተጸውዑ፡ ሹማምቲ ነገዳት ኣቦታቶም እዚኣቶም እዮም። ንሳቶም ሓላቑ ኣሽሓት እስራኤል ነበሩ።
   17ሙሴን ኣሮንን ድማ ነዞም በብስሞም እተጸውዑ ሰባት ወሰዱ። 18ኣብታ ኻልአይቲ ወርሒ ብቐዳመይቲ መዓልቲ ንብዘሎ እቲ ኣኼባ ኣከቡ፡ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ዘሎ በብዓሌቶም፡ በብማይ ቤት ኣቦታቶም፡ ነንርእሲ፡ በብስሞም ተቘጺሮም ተጻሕፉ። 19ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ ኣብ በረኻ ሲና ቘጸሮም።
   20ወለዶ ደቂ ሮቤል በዅሪ እስራኤል፡ በብዓሌቶም፡ በብማይ ቤት ኣቦታቶም፡ ነንርእሲ በብስሞም እተቘጽሩ፡ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ፡ ናብ ውግእ ዝወጹ ዅሎም ተባዕትዮ፡ 21እቶም ካብ ነገድ ሮቤል እተቘጽሩ ኣርብዓን ሹድሽተን ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ኰኑ።
   22ወለዶ ደቂ ስምኦን በብዓሌቶም፡ በብማይ ቤት ኣቦታቶም፡ ነንርእሲ፡ በብስሞም እተቘጽሩ፡ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ናብ ውግእ ዝወጹ ዅሎም ተባዕትዮ፡ 23እቶም ካብ ነገድ ስምኦን እተቘጽሩ፡ ሓምሳን ትሽዓተን ሽሕን ሰለስተ ሚእትን ኰኑ።
   24ወለዶ ደቂ ጋድ በብዓሌቶም፡ በብማይ ቤት ኣቦታቶም፡ በብስሞም እተቘጽሩ፡ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ናብ ውግእ ዝወጹ ዅሎም፡ 25እቶም ካብ ነገድ ጋድ እተቘጽሩ፡ ኣርብዓን ሓሙሽተን ሽሕን ሹድሽተ ሚእትን ሓምሳን ኰኑ።
   26ወለዶ ደቂ ይሁዳ በብዓሌቶም፡ በብማይ ቤት ኣቦታቶም፡ በብስሞም እተቘጽሩ፡ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ናብ ውግእ ዝወጹ ዅሎም፡ 27እቶም ካብ ነገድ ይሁዳ እተቘጽሩ፡ ስብዓን ኣርባዕተን ሽሕን ሽዱሽተ ሚእትን ኰኑ። 28ወለዶ ደቂ ይሳኮር በብዓሌቶም፡ በብማይ ቤት ኣቦታቶም፡ በብስሞም እተቘጽሩ፡ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ናብ ውግእ ዝወጹ ኵሎም፡ 29እቶም ካብ ነገድ ይሳኮር እተቔጽሩ፡ ሓምሳን ኣርባዕተን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ኰኑ።
   30ወሎዶ ደቂ ዛብሎን በብዓሌቶም፡ በብ ማይ ቤት ኣቦታቶም፡ በብስሞን እተቘጽሩ፡ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ናብ ውግእ ዝወጹ ዅሎም፡ 31እቶም ካብ ነገድ ዛብሎን እተቘጽሩ፡ ሓምሳን ሾብዓተን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ኰኑ። 32ደቂ ዮሴፍ፡ ወለዶ ደቂ ኤፍሬም በብዓሌቶም፡ በብማይ ቤት ኣቦታቶም፡ በብስሞም እተቘጽሩ፡ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ናብ ውግእ ዝወጹ ዅሎም፡ 33እቶም ካብ ነገድ ኤፍሬም እተቘጽሩ፡ ኣርብዓ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ኰኑ።
   34ወለዶ ደቂ ምናሴ በብዓሌቶም፡ በብማይ ቤት ኣቦታቶም፡ በብስሞም እተቘጽሩ፡ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ናብ ውግእ ዝወጹ ዅሎም፡ 35እቶም ካብ ነገድ ምናሴ እተቘጽሩ፡ ሰላሳን ክልተን ሽሕን ክልተ ሚእትን ኰኑ። 36ወለዶ ደቂ ብንያም በብዓሌቶም፡ በብማይ ቤት ኣቦታቶም፡ በብስሞም እተቘጽሩ፡ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ናብ ውግእ ዝወጹ ዅሎም። 37እቶም ካብ ነገድ ብንያም እተቘጽሩ፡ ሰላሳን ሓሙሽተን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ኰኑ።
   38ወለዶ ደቂ ዳን በብዓሌቶም፡ በብማይ ቤት ኣቦታቶም፡ በብስሞም እተቘጽሩ፡ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ናብ ውግእ ዝወጹ ዅሎም፡ 39እቶም ካብ ነገድ ዳን እተቘጽሩ፡ ስሳን ክልተን ሽሕን ሾብዓተ ሚእትን ኰኑ።
   40ወለዶ ደቂ ኣሴር በብዓሌቶም፡ በብማይ ቤት ኣቦታቶም፡ በብስሞም እተቘጽሩ፡ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ናብ ውግእ ዝወጹ ዅሎም፡ 41እቶም ካብ ነገድ ኣሴር እተቘጽሩ፡ ኣርብዓን ሓደን ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ኰኑ።
   42ወለዶ ደቂ ንፍታሌም በብዓሌቶም፡ በብማይ ቤት ኣቦታቶም፡ በብስሞም እተቘጽሩ፡ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ናብ ውግእ ዝወጹ ዅሎም፡ 43እቶም ካብ ነገድ ንፍታሌም እተቘጽሩ፡ ሓምሳን ሰለስተን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ኰኑ።
   44እቶም እተቘጽሩ፡ ሙሴን ኣሮንን እቶም ዓሰርተው ክልተ ሰባት መሳፍንቲ እስራኤልን ዝቘጸርዎም እዚኣቶም እዮም፡ ንሳቶም ሓሓደ ነናይ ማይ ቤት ኣቦታቱ እዮም። 45እሞ ካብ ደቂ እስራኤል በብማይ ቤት ኣቦታቶም እተቘጽሩ ዝዀኑ ዅሎም፡ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ኣብ እስራኤል ናብ ውግእ ዝወጹ ዅሎም፡ 46እቶም እተቘጽሩ ዅሎም ሹድሽተ ሚእትን ሰለስተን ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ሓምሳን ኰኑ።
   47ሌዋውያን ግና ብነገድ ኣቦታቶም ምሳታቶም ኣይተቘጽሩን። 48እግዚኣብሄር ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛሪብዎ ነበረ እሞ፡ 49ንነገድ ሌዊ ጥራይ ኣይትቑጸሮም፡ ቁጽሮም ድማ ምስቶም ደቂ እስራኤል ኣይትጸብጽቦ። 50ንሌዋውያን ግና ንስኻ ኣብ ልዕሊ ማሕደር ምስክርን ኣብ ልዕሊ ዅሉ ኣቓሑኡን ኣብ ልዕሊ ናቱ ዘበለ ዅሉን ኣመዝዞም። ንሳቶም ነቲ ማሕደርን ንዅሉ ኣቓሑኡን ይጹሩ። ንእኡ ኸኣ ንሳቶም የገልግሉ፡ ኣብ ዙርያ እቲ ማሕደር ድማ ይስፈሩ። 51እቲ ማሕደር ምስ ዝነቅል፡ ሌዋውያን የውርድዎ። እቲ ማሕደር ምስ ዝሰፍር ከኣ፡ ሌዋውያን ይትከልዎ። ጓና እንተ ቐረቦ ድማ፡ ይሙት። 52እቶም ደቂ እስራኤል ከኣ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ሰሰፈሩ፡ ነፍሲ ወከፍ ድማ ኣብ ሰሰንደቕ ዕላማኡ መምስ ሰራዊቶም ይስፈሩ። 53ሌዋውያን ግና ናብ ኣኼባ ደቂ እስራኤል ቁጥዓ ምእንቲ ኸይከውንሲ፡ ኣብ ዙርያ ማሕደር ምስክር ይስፈሩ። ሌዋውያን ከኣ ነቲ ማሕደር ምስክር ይሓልውዎ።
   54ደቂ እስራኤል ድማ ከምኡ ገበሩ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ዅሉ ገበሩ።

        ዘሁልቁ   ምዕራፍ 2            

   1እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም፡ 2ደቂ እስራኤል ነፍሲ ወከፍ ኣብ ጠጥቓ ሰንደቕ ዕላማኡን ኣብ ነናይ ማይ ቤት ኣቦታቶም ምልክትን ይስፈሩ። ኣብ መንጽር ድንኳን ምርኻብ ብዙርያኡ ይስፈሩ።
   3እቶም ኣብ ቅድሚት ብሸነኽ ምብራቕ ዝሰፍሩ፡ ከም ሰራዊቶም ሰንደቕ ዕላማ ሰፈር ይሁዳ ይኹን። ሹም ደቂ ይሁዳ ድማ ነኣሶን ወዲ ኣሚናዳብ እዩ። 4ሰራዊቱን እቶም ቁጹራቶምን ሰብዓን ኣርባዕተን ሽሕን ሹድሽተ ሚእትን ነበሩ። 5ምስኡ ገጢሞም ዝሰፍሩ ኸኣ ነገድ ይሳኮር ይኹኑ። ሹም ደቂ ይሳኮር ድማ ናትናኤል ወዲ ጹዓር እዩ። 6ሰራዊቱን እቶም ቁጽራቱን ሓምሳን ኣርባዕተን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ነበሩ። 7ነገድ ዛብሎን ከኣ፡ ሹም ደቂ ዛብሎን ኤልያብ ወዲ ሔሎን እዩ። 8ሰራዊቱን እቶም ቁጹራቱን ሓምሳን ሾብዓተን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ነበሩ። 9እቶም ቁጹራት ሰፈር ይሁዳ ዅሎም ከም ሰራዊቶም ሚእትን ሰማንያን ሹድሽተን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ነበሩ። እዚኣቶም ቅድሚት ይጐዓዙ።
   10ሰንደቕ ዕላማ ሰፈር ሮቤል፡ ከም ሰራዊቶም ብሸነኽ ደቡብ ይኹን። ሹም ደቂ ሮቤል ከኣ ኤሊጹር ወዲ ሸደውር እዩ፡ 11ሰራዊቱን እቶም ቑጹራቱን ኣርብዓን ሹድሽተን ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ነበሩ። 12ምስኡ ገጢሞም ዝሰፍሩ ኸኣ ነገድ ስምኦን ይኹኑ፡ ሹም ደቂ ስምኦን ደቂ ሸሉሚኤል ወዲ ጹሪሻዳይ እዩ። 13ሰራዊቱን እቶም ቁጹራቶምን ሓምሳን ትሽዓተን ሽሕን ሰለስተ ሚእትን ነበሩ። 14ነገድ ጋድ ድማ፡ ሹም ደቂ ጋድ ኤልያሳፍ ወዲ ረዑኤል እዩ። 15ሰራዊቱን እቶም ቁጹራቶምን ኣርብዓን ሓሙሽተን ሽሕን ሹድሽተ ሚእትን ሓምሳን ነበሩ። 16እቶም ቁጽራት ሰፈር ሮቤል ኲሎም ከም ሰራዊቶም ሚእትን ሓምሳን ሓደን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ሓምሳን ነበሩ። እዚኣቶም ካልኣይ ሰልፊ ዀይኖም ይጐዓዙ።
   17ድሕሪኡ ድማ እቲ ድንኳን ምርኻብ ምስ ሰፈር ሌዋውያን ኣብ መንጎ እቲ ሰፈራት ይጐዓዝ። ከምቲ ኣሰፋፍራኦም ከምኡ ኸኣ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ሰስፍራኡ መምስ ሰንደቕ ዕላማኦም ይጐዓዙ።
   18ሰንደቕ ዕላማ ሰፈር ኤፍሬም ከም ሰራዊቶም ብሸነኽ ምዕራብ ይኹን። ሹም ደቂ ኤፍሬም ድማ ኤሊሻማዕ ወዲ ዓሚሁድ እዩ። 19ሰራዊቱን እቶም ቁጽራቶምን ኣርብዓ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ነበሩ። 20ምስኡ ገጢሙ ኸኣ ነገድ ምናሴ፡ ሹም ደቂ ምናሴ ድማ ገማልኤል ወዲ ጳዳህጹር እዩ፡ 21ሰራዊቱን እቶም ቁጹራቱን ሰላሳን ክልተን ሽሕን ክልተ ሚእትን ነበሩ። 22ድማ ነገድ ብንያም፡ ሹም ደቂ ብንያም ከኣ ኣቢዳን ወዲ ጊዴዖኒ እዩ፡ 23ሰራዊቱን እቶም ቁጽራቶምን ሰላሳን ሓሙሽተን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ነበሩ። 24እቶም ቁጹራት ሰፈር ኤፍሬም ኲሎም ከም ሰራዊቶም ሚእትን ሾሞንተን ሽሕን ሓደ ሚእትን እዮም። እዚኣቶም ሳልሳይ ሰልፊ ዀይኖም ይጐዓዙ።
   25ሰንደቕ ዕላማ ሰፈር ዳን ከም ሰራዊቶም ብሸነኽ ሰሜን ይኹን። ሹም ደቂ ዳን ኣሒዔዘር ወዲ ዓሚሻዳይ እዩ፡ 26ሰራዊቱን እቶም ቁጹራቶምን ስሳን ክልተን ሽሕን ሾብዓተ ሚእትን ነበሩ። 27ምስኡ ገጢሞም ዝሰፍሩ ድማ ነገድ ኣሴር ይኹኑ። ሹም ደቂ ኣሴር ከኣ ጳግዔል ወዲ ዖክራን እዩ። 28ሰራዊቱን እቶም ቁጹራቶምን ኣርብዓን ሓደን ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ነበሩ። 29ነገድ ንፍታሌም ድማ፡ ሹም ደቂ ንፍታሌም ኣሒራዕ ወዲ ዔናን እዩ። 30ሰራዊቱን እቶም ቁጹራቶምን ሓምሳን ሰለስተን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ነበሩ። 31እቶም ቁጹራት ሰፈር ዳን ኲሎም ሚእትን ሓምሳን ሾብዓተን ሽሕን ሹድሽተ ሚእትን ነበሩ። እዚኣቶም ምስ ሰንደቕ ዕላማኦም ደጀን ኰይኖም ይጐዓዙ።
   32እቶም ካብ ደቂ እስራኤል በብማይ ቤት ኣቦታቶም እተቘጽሩ እዚኣቶም እዮም። እቶም ኣብ ሰፈር በብሰራዊቶም እተቘጽሩ ዅሎም ሹድሽተ ሚእትን ሰለስተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ሓምሳን እዮም። 33ሌዋውያን ግና ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ ኣብ መንጎ ደቂ እስራኤል ኣይተቘጽሩን። 
   34ደቂ እስራኤል ድማ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ዅሉ ገበሩ፡ ከምኡ በብሰንደቕ ዕላማኦም ሰፈሩ፡ ከምኡ ድማ ነፍሲ ወከፍ በብዓሌቶም፡ በብማይ ቤት ኣቦታቶም ተጓዓዙ።

        ዘሁልቁ   ምዕራፍ 3

   1በታ እግዚኣብሄር ኣብ ከረን ሲና እተዛረበላ መዓልቲ፡ ወለዶ ኣሮንን ሙሴን እዚ እዩ። 2ስም ደቂ ኣሮን እዚ እዩ፡ ናዳብ እቲ በዅርን ኣቢሁን ኣልኣዛርን ኢታማርን። 3ስም እቶም እተቐብኡ ኻህናት፡ ንኽህነት ዝቐደሶም ደቂ ኣሮን እዚ እዩ። 4ናዳብን ኣቢሁን ከኣ ኣብ በረኻ ሲና ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ጋሻ ሓዊ ምስ ኣቕረቡ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሞቱ፡ ውሉድ ከኣ ኣይነበርዎምን። ኣልኣዛርን ኢታማርን ድማ ኣብ ቅድሚ ኣቦኦም ኣሮን ብኻህነት የገልግሉ ነበሩ።
   5እግዚኣብሄር ከኣ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ 6ንነገድ ሌዊ ናብዚ ኣቕርቦ፡ ምእንቲ ኸገልግልዎ ኣብ ቅድሚ ኣሮን ካህን፡ ደው ኣብሎም። 7በቲ ዕዮ ኣገልግሎት ማሕደር ኣብ ቅድሚ ድንኳን ምርኻብ መዙን መዚ ዅሉ እቲ ኣኼባን ይሓልዉ። 8ኲሉ ኣቕሓ ድንኳን ምርኻብን መዚ ደቂ እስራኤልን ኣብ ዕዮ ኣገልግሎት ማሕደር ይሓልዉ። 9ሌዋውያን ንኣሮንን ንደቁን ሃቦም፡ ንሳቶም ካብ ደቂ እስራኤል ብመልኦም ንእኡ ተወፍዮም እዮም። 10ንኣሮንን ንደቁን ድማ እቲ ናይ ክህነቶም ክሕልዉ ኣመዝዞም። ጓና እንተ ቐረበ ኸኣ ይሙት። 
   11እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ 12እንሆ፡ ኣነ ኣብ ክንዲ እቶም ኣብ ደቂ እስራኤል ማሕጸን ዝኸፈተ ዅሉ በዅሪ ንሌዋውያን ካብ ማእከል ደቂ እስራኤል ወሲደዮም እየ እሞ፡ ሌዋውያን ንኣይ ይኹኑ። 13በዅሪ ዝዀነ ዅሉ ንኣይ እዩ እሞ፡ በታ ንዅሉ በዅሪ ሃገር ግብጺ ዝወቓዕኩላ መዓልቲ፡ ሰብ ኰነ፡ እንስሳ ዀነ፡ ኲሉ በዅሪ ኣብ እስራኤል፡ ንኣይ ቀዲሰዮ እየ፡ ንኣይ ይኹኑ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
   14እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኣብ በረኻ ሲና ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ 15ንደቂ ሌዊ በብማይ ቤት ኣቦታቶምን በብዓሌቶምን ቁጸሮም። ካብ ወዲ ወርሒ ንላዕሊ ዘሎ ዅሉ ተባዕታይ ቁጸሮም።
   16ሙሴ ድማ ከምቲ ቓል እግዚኣብሄር፡ ከምቲ ንሱ ዝኣዘዞ ገይሩ ቘጸሮም። 17ደቂ ሌዊ በብስሞም እዚኣቶም እዮም፡ ጌርሾንን ቃሃትን መራሪን። 18ስም ደቂ ጌርሾን ድማ በብዓሌቶም እዚ እዩ፡ ሊብኒን ሺምዒን። 19ደቂ ቃሃት ድማ በብዓሌቶም፡ ኣምራምን ይጽሃርን ሔብሮንን ዑዚኤልን እዮም። 20ደቂ መራሪ ድማ በብዓሌቶም፡ ማሕሊን ሙሺን እዮም። ዓሌታት ሌዋውያን በብማይ ቤት ኣቦታቶም እዚኣቶም እዮም።
   21ካብ ጌርሾን ዓሌት ሊብናውያንን ዓሌታት ሺምዓውያንን እዮም፡ እዚኣቶም ዓሌታት ጌርሾናውያን እዮም። 22ቁጽሪ እቶም ካብ ወዲ ወርሒ ንላዕሊ ዘለዉ ቁጹራት ተባዕትዮ፡ እቶም ቁጹራቶም ሾብዓተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን እዮም። 23ዓሌታት ጌርሾናውያን ብድሕሪ ማሕደር ብሸነኽ ምዕራብ ይስፈሩ። 24ሹም ማይ ቤት ኣቦ ጌርሾናውያን ኤልያሳፍ ወዲ ላኤል እዩ። 25ሓለዋ ደቂ ጌርሾን ኣብ ድንኳን ምርኻብ ድማ ነቲ ማሕደርን መኽደኒኡን መደረብታኡን መጋረጃ ኣፍ ድንኳን ምርኻብን። 26መጋረጃታት ኣጸድን መጋረጃ ኣፍ ደገ እቲ ኣብ ዙርያ ማሕደርን መሰውእን ዘሎ ኣጸድን ኣግማድን ናይ ኲሉ ኣገልግሎት እዩ።
   27ካብ ቃሃት ድማ ዓሌት ኣምራማውያንን ዓሌት ይጽሃራውያንን ዓሌት ሔብሮናውያንን ዓሌት ዑዚኤላውያንን እዮም፡ እዚኣቶም ዓሌታት ቃሃታውያን እዮም። 28እቶም ሓለዋ መቕደስ ዝሕልዉ ዝነበሩ ኻብ ወዲ ወርሒ ንላዕሊ ዘለዉ ዅሎም ተባዕትዮ ምስ ተቘጽሩ፡ ሾሞንተ ሽሕን ሹድሽተ ሚእትን ኰኑ። 29ዓሌታት ደቂ ቃሃት ንማሕደር ብሸነኽ ደቡቡ ይስፈሩ። 30ሹም ማይ ቤት ኣቦ ዓሌታት ቃሃታውያን ድማ ኤሊጻፋን ወዲ ዑዚኤል እዩ። 31ሓለዋኦም ድማ ታቦታትን ሰደቓን ቀዋሚ ቐንዴልን መሰውኢታትን ንመቕደስ ዘገልግሉሉ ዅሉ ኣቓሑን እቲ መጋረጃን ናይ ኲሉ ኣገልግሎቱን እዩ። 32ሹም ሹማምቲ ሌዋውያን ከኣ ኣልኣዛር ወዲ ኻህን ኣሮን እዩ። ንሱ ነቶም ሓለዋ መቕደስ ዝሕልዉ፡ ገበዞም ይኹን። 
   33ካብ መራሪ፡ ዓሌት ማህላውያንን ዓሌት ሙሻውያንን እዮም፡ እዚኣቶም ዓሌታት መራሪ እዮም። 34ካብ ወዲ ወርሒ ንላዕሊ ዘለዉ ዅሎም ተባዕትዮ ምስ ተቘጽሩ፡ እቶም ቁጽራቶም ሹድሽተ ሽሕን ክልተ ሚእትን ኰኑ። 35ሹም ማይ ቤት ኣቦ ዓሌታት መራሪ፡ ጹሪኤል ወዲ ኣቢሓይል እዩ። ንሳቶም ንማሕደር ብሸነኽ ሰሜኑ ይስፈሩ። 36እተመዘዝዋ ሓለዋ ደቂ መራሪ ድማ ንኣልዋሕ ማሕደርን ጋድማቱን ኣዕኑዱን ኣእጋሩን ኲሉ ኣቓሑኡን ናይ ኲሉ ኣገልግሎቱን፡ 37ኣዕኑድ እቲ ኣጸድ ብዙርያኡን ኣእጋሩን ሽኻውልቱን ኣግማዱን እዩ። 
   38እቶም ኣብ መንጽር ማሕደር ብምብራቑ፡ ኣብ ቅድሚ ድንኳን ምርኻብ፡ ብሸነኽ ምውጻእ ጸሓይ ዝሰፍሩ፡ ሙሴን ኣሮንን ደቁን እዮም። ንሳቶም ነቲ ሓለዋ ደቂ እስራኤል ኣብ መቕደስ ዝሕሎ ይሕልዉ ነበሩ። ጓና ናብኡ እንተ ቐረበ ኸኣ ይሙት።
   39እቶም እተቘጽሩ ዅሎም ሌዋውያን፡ ሙሴን ኣሮንን ብትእዛዝ እግዚኣብሄር በብዓሌቶም ዝቘጸርዎም፡ ካብ ወዲ ወርሒ ንላዕሊ ዘለዉ ዅሎም ተባዕትዮ ዕስራን ክልተን ሽሕ ኰኑ።
   40እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ በሎ፡ ኲሎም ተባዕትዮ በዅሪ ደቂ እስራኤል ካብ ወዲ ወርሒ ንላዕሊ ንዘለዉ ቑጸር፡ ቁጽሪ ስሞም ድማ ውሰድ። 41ኣነ እግዚኣብሄር እየ፡ ንሌዋውያን ኣብ ክንዲ ዅሎም በዅሪ ኣብ ደቂ እስራኤል፡ ማል ሌዋውያን ድማ ኣብ ክንዲ በዅሪ ማል ደቂ እስራኤል ንኣይ ውሰዶም።
   42ሙሴ ድማ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ንዅሉ በዅሪ ኣብ ደቂ እስራኤል ቈጸረ። 43ካብ ወዲ ወርሒ ንላዕሊ ዘሎ ዅሉ በዅሪ ተባዕታይ በብስሞም እተቘጽሩ፡ ቁጹራቶም ዕስራን ክልተን ሽሕን ክልተ ሚእትን ሰብዓን ሰለስተን ኰኑ።
   44እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ 45ንሌዋውያን ኣብ ክንዲ ዅሉ በዅሪ ኣብ ደቂ እስራኤል፡ ማል ሌዋውያን ድማ ኣብ ክንዲ ማሎም ውሰድ፡ ሌዋውያን ናተይ ይኹኑ። ኣነ እግዚብሄር እየ። 46በጃ እቶም ክልተ ሚእትን ሰብዓን ሰለስተን በዅሪ ደቂ እስራኤል፡ ካብ ቁጽሪ ሌዋውያን ዝሓለፉ ኸኣ፡ 47ነንርእሲ ሓሙሽተ ሲቃል ውሰድ፡ ብሲቃል መቕደስ ውሰድ፡ ሲቃል ዕስራ ጌራ እዩ። 48ናይቶም ሕልፊ ዝዀኑ ኸኣ ገንዘብ በጃ ንኣሮንን ንደቁን ሃቦም። 49ሙሴ ድማ ካብቶም ብሌዋውያን እተበጀዎም ሕልፊ ዝዀኑ፡ ገንዘብ በጃ ወሰደ። 50ካብ በዅርታት ደቂ እስራኤል ብሲቃል መቕደስ ሽሕን ሰለስተ ሚእትን ስሳን ሓሙሽተን ሲቃል ገንዘብ ወሰደ። 51ሙሴ ድማ ከምቲ ቓል እግዚኣብሄር፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ እቲ ገንዘብ በጃ ንኣሮንን ንደቁን ሃቦም።

        ዘሁልቁ   ምዕራፍ 4

   1እግዚብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም፡ 2-3ካብ ማእከል ደቂ ሌዊ ንደቂ ቃሃት በብዓሌቶምን በብማይ ቤት ኣቦታቶምን ካብ ወዲ ሰላሳ ዓመት ንላዕሊ ክሳዕ ወዲ ሓምሳ ዓመት ናብ ዕዮ ኽኣትዉ ዝኽእሉ ዅሎም፡ ኣብ ዕዮ ድንኳን ምርኻብ ከገልግሉ። 4ኣገልግሎት ደቂ ቃሃት ኣብ ድንኳን ምርኻብ ብናይ ቅድስተ ቅዱሳን ነገር እዚ እዩ፡ 5እቲ ሰፈር ምስ ዝነቅል፡ ኣሮንን ደቁን ኣትዮም፡ ነቲ ዝጋርድ መጋረጃ የውርድዎ፡ ነቲ ታቦት ምስክር ብእኡ ይኽደንዎ፡ 6ኣብ ልዕሊኡ ድማ ቈርበት ታሃስ ይግበሩሉ፡ ኲለንትናኡ ሰማያዊ ዝዀነ ዓለባ ኸኣ ይዘርግሑሉ፡ መሰላታቱውን የእትዉሉ። 7ኣብ ልዕሊ ሰደቓ እንጌራ ምርኣይ ድማ ሰማያዊ ዓለባ ይዘርግሑሉ፡ ኣብኡ ኸኣ ሒላባትን ጭሔሎታትን ጽውኣትን እቲ ንመስዋእቲ መስተ ዝኸውን ኲስኲስትታትውን ይስርዑ፡ እቲ ናይ ውርትግ እንጌራ ኸኣ ኣብ ልዕሊኡ ይኹን። 8ኣብ ልዕሊ እዚ ድማ ግምጃ ይዘርግሑሉ፡ ንእኡ ኸኣ ብቘርበት ታሃስ እተገብረ መኽደኒ ገይሮም ይኽደንዎ፡ እቲ መሰላታቱውን የእትዉሉ። 9ሰማያዊ ዓለባ ወሲዶም ከኣ፡ ነቲ ቐዋሚ ቐንዴልን ቅልዒ ቐነዲሉን መሳቐዪኡን መዋህለል ርስሓቱን እቲ ዅሉ ዘገልግሉሉ፡ ናይ ዘይቲ ኣቓሑኡ ኸኣ ይኽደኑ። 10ምስ ኲሉ ኣቓሑኡ ድማ ኣብ ውሽጢ ሓደ መኽደኒ ናይ ታሃስ ቈርበት የንብርዎ፡ ኣብ መሰላ ኸኣ ይግበርዎ። 11ኣብ ልዕሊ እቲ መሰውኢ ወርቂውን ሰማያዊ ዓለባ ይዘርግሑ፡ መኽደኒ ድማ ብቘርበት ታሃስ ይኽደንዎ፡ መሰላታቱ ኸኣ የእትዉሉ። 12ኣብ ቤተ መቕደስ ዘገልግሉሉ ዅሉ ኣቓሑ ኣገልግሎት ወሲዶም ድማ ኣብ ሰማያዊ ዓለባ ይግበርዎ፡ መኽደኒ ኸኣ ብቘርበት ታሃስ ይኽደንዎ፡ ኣብ መሰላውን ይግበርዎ። 13ነቲ ሓመዅስቱ ድማ ካብ መሰውኢ ይጕሓፍዎ፡ ቀይሕ ዓለባ ኸኣ ይዘርግሑሉ። 14እቲ ዘገልግሉሉ ዅሉ ኣቓሑኡ ኸኣ፡ ጽንሃታትን ሻኳታትን መጽሓርያታትን ጭሔሎታትን፡ ኲሉ ኣቓሑ መሰውኢ ኣብ ልዕሊኡ ይግበርዎ፡ ኣብ ልዕሊኡ ድማ መኽደኒ ቘርበት ታሃስ ይዘርግሑሉ፡ መሰላታቱ ኸኣ የእትዉሉ።
   15ኣሮንን ደቁን ምኽዳን መቕደስን ኲሉ ኣቓሑ መቕደስን ምስ ፈጸሙ፡ እቲ ሰፈር ድማ ምስ ዝነቅል፡ ድሕርዚ ደቂ ቃሃት ክጾሩ ይምጽኡ። ከይሞቱ ግና፡ ነቲ ቅዱስ ነገር ኣይተንክይዎ። ናይ ድንኳን ምርኻብ ጾር ደቂ ቃሃት እዚ እዩ።
   16መዚ ኣልኣዛር፡ ወዲ ኻህን ኣሮን፡ ኣብቲ ንቐዋሚ ቐንዴል ዝኸውን ዘይትን ኣብቲ ምኡዝ ዕጣንን ኣብቲ ናይ ወርትግ መስዋእቲ ብልዕን ዘይቲ ቕብኣትን፡ ኣብ ብዘሎ ማሕደርን ኣብኡ ዘሎ ዅሉን፡ ኣብ መቕደስን ኣብ ኣቓሑኡን ይኹን።
   17እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም፡ 18ነገድ ዓሌታት ቃሃታውያን ካብ መንጎ ሌዋውያን ኣይተጥፍእዎም። 19ናብ ናይ ቅድስተ ቅዱሳን ነገር ምስ ዝቐርቡ፡ ከይሞቱ፡ ብህይወት ደኣ ኽነብሩ፡ እዚ ግበረሎም፡ ኣሮንን ደቁን ኣትዮም ንነፍሲ ወከፎም ኣኣገልግሎቱን ጸጾሩን የመልክትዎም። 20ግናኸ ከይሞቱ፡ ነቲ ቅዱስ ነገር ቅጽበት ዓይኒ እኳ እንተ ዀነ፡ ንምርኣዩ ኣይእተዉ። 
   21እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ 22ደቂ ጌርሾን ከኣ በብማይ ቤት ኣቦታቶምን በብዓሌቶምን ቁጽሮም ውሰድ። 23ካብ ወዲ ሰላሳ ዓመት ንላዕሊ ኽሳዕ ወዲ ሓምሳ ዓመት፡ ንዕዮ ዝበቕዑ፡ ኣብ ዕዮ ድንኳን ምርኻብ ከገልግሉ ዝኽእሉ ዅሎም ቁጸሮም። 24እቲ ኣገልግሎት ዓሌታት ጌርሾናውያን ንምግልጋልን ንምጽዋርን እዚ እዩ፡ 25እቲ ዓለባታት ማሕደርን ድንኳን ምርኻብን መኽደኒኡን፡ እቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝድረብ ቈርበት ታሃስን፡ እቲ መጋረጃ ኣፍ ድንኳን ምርኻብን፡ 26እቲ መጋረጃታት ኣጸድን መጋረጃ ኣፍ ደገ እቲ ኣብ ዙርያ ማሕደርን መሰውእን ዘሎ ኣጸድን ኣግማዱን ኲሉ ኣቓሑ ኣገልግሎቶምን ይጹሩ፡ ናይቲ ብኣታቶም ዝግበር ኲሉ ብእኡ የገልግሉ። 27ናይ ደቂ ጌርሾናውያን ኲሉ ጾርን ኲሉ ዕዮኦምን ብዅሉ ኣገልግሎቶም ከምቲ ትእዛዝ ኣሮንን ደቁን ይኹን። ብጾሮም ዘበለ ዅሉ ኽሓልዩ ኣመዝዝዎም። 28ኣገልግሎት ዓሌታት ደቂ ጌርሾናውያን ኣብ ድንኳን ምርኻብ እዚ እዩ፡ እቲ ሓለዋኦም ድማ ኣብ ትሕቲ ኢድ ኢታማር ወዲ ኻህን ኣሮን ይኹን።
   29ንደቂ መራሪ ኸኣ በብዓሌቶም በብማይ ቤት ኣቦታቶም ቁጸሮም። 30ካብ ወዲ ሰላሳ ዓመት ንላዕሊ ኽሳዕ ወዲ ሓምሳ ዓመት ዘለዉ፡ ኣብ ዕዮ ድንኳን ምርኻብ ከገልግሉ ንዝኣትዉ ዅሎም ቁጸሮም። 31ሓለዋ ጾሮም ብዅሉ ኣገልግሎቶም ኣብ ድንኳን ምርኻብ እዚ እዩ፡ ኣልዋሕ ማሕደርን ጋድማቱን ኣዕኑዱን ኣእጋሩን፡ 32ኣዕኑድ እቲ ብዙርያ ዘሎ ኣጸድን ኣእጋሩን ሽካውልቱን ኣግማዱን ስም ኲሉ ኣቓሑኡን ምስቲ ዝዓዩሉ ዘበለ ዅሉን፡ እቲ ዝሕልውዎን ዝጾርዎን ኣቓሑ በብስሙ ቑጸርዎ። 33እቲ ኣገልግሎት ዓሌታት ደቂ መራሪ እዚ እዩ። ኲሉ ኣገልግሎቶም ኣብ ድንኳን ምርኻብ ኣብ ትሕቲ ኢድ ኢታማር ወዲ ኻህን ኣሮን ይኹን።
   34-35ሙሴን ኣሮንን እቶም ሹማምቲ እቲ ኣኼባን ድማ ንደቂ ቃሃታውያን በብዓሌቶምን በብማይ ቤት ኣቦታቶምን፡ ካብ ወዲ ሰላሳ ዓመት ንላዕሊ ኽሳዕ ወዲ ሓምሳ ዓመት ንዘለዉ፡ ኣብ ዕዮ ድንኳን ምርኻብ ከገልግሉ ንዝኣትዉ ዅሎም ቈጸርዎም። 36እቶም ካባታቶም በብዓሌቶም እተቘጽሩ ኽልተ ሽሕን ሾብዓተ ሚእትን ሓምሳን ኰኑ። 37እቶም ካብ ዓሌታት ቃሃታውያን እተቘጽሩ ኣብ ድንኳን ምርኻብ ዘገልግሉ ዅሎም፡ ሙሴን ኣሮንን ብትእዛዝ እግዚኣብሄር ብኢድ ሙሴ ዝቘጸርዎም እዚኣቶም እዮም።
   38እቶም ካብ ደቂ ጌርሾን በብዓሌቶምን በብማይ ቤት ኣቦታቶምን እተቘጽሩ ድማ፡ 39ካብ ወዲ ሰላሳ ዓመት ንላዕሊ ኽሳዕ ወዲ ሓምሳ ዓመት ዘለዉ፡ ኣብ ዕዮ ድንኳን ምርኻብ ከገልግሉ ዝኣትዉ ዅሎም፡ 40እቶም በብዓሌቶምን በብማይ ቤት ኣቦታቶምን ካባታቶም እተቘጽሩ፡ ክልተ ሽሕን ሹድሽተ ሚእትን ሰላሳን ኰኑ። 41እቶም ካብ ዓሌታት ደቂ ጌርሾን እተቘጽሩ ኣብ ድንኳን ምርኻብ ዘገልግሉ ዅሎም ሙሴን ኣሮንን ብትእዛዝ እግዚኣብሄር ዝቘጸርዎም እዚኣቶም እዮም። 
   42እቶም ካብ ዓሌታት ደቂ መራሪ በብዓሌቶምን በብማይ ቤት ኣቦታቶምን እተቘጽሩ ድማ፡ 43ካብ ወዲ ሰላሳ ዓመት ንላዕሊ ኽሳዕ ወዲ ሓምሳ ዓመት ዘለዉ፡ ኣብ ዕዮ ድንኳን ምርኻብ ከገልግሉ ዝኣትዉ ዅሎም፡ 44እቶም በብዓሌቶም ካባታቶም እተቘጽሩ ሰለስተ ሽሕን ክልተ ሚእትን ኰኑ። 45እቶም ካብ ዓሌታት ደቂ መራሪ እተቘጽሩ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ብኢድ ሙሴ ዝኣዘዞ፡ ሙሴን ኣሮንን ዝቘጸርዎም፡ እዚኣቶም እዮም።
   46እቶም እተቘጽሩ ዅሎም ሌዋውያን፡ ሙሴን ኣሮንን እቶም ሹማምቲ እስራኤልን በብዓሌቶምን በብማይ ቤት ኣቦታቶምን ዝቘጸርዎም፡ 47ካብ ወዲ ሰላሳ ዓመት ንላዕሊ ኽሳዕ ወዲ ሓምሳ ዓመት ዘለዉ፡ ኣብቲ ዝዕየ ዕዮ ኸገልግሉ፡ ድማ ኣብ ድንኳን ምርኻብ ብምጽዋር ከገልግሉ ዝኣትዉ ዅሎም፡ 48እቶም ካባታቶም እተቘጽሩ ሾሞንተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ሰማንያን ኰኑ። 49ከም ትእዛዝ እግዚኣብሄር ብኢድ ሙሴ ነፍሲ ወከፍ ነንኣገልግሎቱን ነንጾሩን ተቘጽሩ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ተቘጽሩ።

        ዘሁልቁ   ምዕራፍ 5            

   1እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ 2ንዅሉ ለምጻምን ንዅሉ ጀጋልን ብሬሳ ንዝረኸሰ ዅሉን ካብ ሰፈር ከውጽኡ ንደቂ እስራኤል ኣዝዞም። 3ተባዕታይ ኰነ ኣንስተይቲ ኣውጽእዎም፡ ነቲ ኣብ ማእከሉ ዝሓድሮ ዘሎኹ ሰፈሮም ከየርክሱ፡ ናብ ወጻኢ ሰፈር ኣውጽእዎም። 4ደቂ እስራኤል ድማ ከምኡ ገበሩ፡ ናብ ወጻኢ ሰፈር ኣውጽእዎም፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝበሎ፡ ደቂ እስራኤል ከምኡ ገበሩ።
   5እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ 6ንደቂ እስራኤል በሎም፡ ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ፡ ሰብ ካብ ዝገብሮ ሓጢኣት ኲሉ ብምግባሩ ንእግዚኣብሄር ምስ ዘዕግብ፡ እታ ነፍሲ እቲኣ በዳሊት ኰነት፡ 7ሽዑ በቲ ዝገበርዎ ሓጢኣቶም ይናዘዙ፡ እቲ ዝበደሎ ብመልኡ ይምለሶ ኣብ ልዕሊኡ ድማ ሕምሻኡ ይወስኽ፡ ነቲ ዝበደሎ ኸኣ ይሃቦ። 8እቲ እተበደለ ነቲ ዝምለሶ ገንዘብ ዝወርሶ ዘይብሉ እንተ ዀነ፡ እቲ ዝምለስ ገንዘብ ናይ እግዚኣብሄር እዩ፡ ብጀካ እቲ ንሱ ዝዕረቐሉ ድዑል መተዓረቒ ንኻህን ይኹን። 9ኲሉ ዝለዓል መስዋእቲ ደቂ እስራኤል ካብ ኲሉ ቅዱስ ነገር ናብ ካህን ዘምጽእዎ ንእኡ ይኹን። 10ዝዀነ ሰብ ዝቐደሶ ነገር ንእኡ ይኹን፡ ሰብ ንኻህን ዝህቦ ዘበለ ንእኡ ይኹን።
   11እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ 12ንደቂ እስራኤል ተዛረቦም በሎም ከኣ፡ ንሰብኣይ ሰበይቱ እንተ ጠለመቶ፡ ዓገብ ከኣ እንተ ዓገበቶ፡ 13ካልእ ሰብኣይ ምስኣ ደቂሱ ድማ ብስጋ እንተ ተራኸባ፡ እዚ ኸኣ ካብ ዓይኒ ሰብኣያ እንተ ተኸወለ፡ ብሕቡእ እንተ ረኸሰት፡ ምስክር ድማ እንተ ዘይተረኽባ፡ ኣብቲ ግብሪውን እንተ ዘይተታሕዘት፡ 14መንፈስ ቅንኣት ድማ እንተ መጾ፡ ንሳ ብምርካሳ ኸኣ ብሰበይቱ እንተ ቐንአ፡ ወይ ንሳ ኽይረኸሰት ከላ፡ መንፈስ ቅንኣት እንተ መጾ፡ ብሰበይቱ ድማ እንተ ቐንአ፡ 15ሽዑ እቲ ሰብኣይ ነታ ሰበይቱ ናብ ካህን የምጽኣያ፡ ብዛዕባኣ ኸኣ ዓስራይ ኢድ ኤፋ ሓርጭ ስገም ንመስዋእቲ የምጽእ። ናይ ቅንኣት መስዋእቲ ብልዒ፡ ክፍኣት ዘዘክር መስዋእቲ ብልዒ እዩ እሞ፡ ዘይቲ ኣይከዓዎ፡ ዕጣንውን ኣይገበሮ። 16እቲ ኻህን ድማ ኣቕሪቡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደው የብላ። 17እቲ ኻህን ድማ ብኣቕሓ መሬት ገይሩ ቅዱስ ማይ ይውሰድ፡ ካብቲ ኣብ ምድርቤት ማሕደር ዘሎ ሓመድ ወሲዱ ኸኣ ኣብቲ ማይ ይግበር። 18እቲ ኻህን ነታ ሰበይቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደው ኣቢሉ ድማ ርእሲ እታ ሰበይቲ ይቕላዕ፡ ነቲ መስዋእቲ ብልዒ ምዝካር፡ ንሱ ኸኣ ናይ ቅንኣት መስዋእቲ ብልዒ፡ ኣብ ኢዳ የንብሮ። እቲ ኻህን ከኣ ነቲ መርገም ዘምጽእ መሪር ማይ ኣብ ኢዱ ይሓዝ። 19እቲ ኻህን ድማ የምሕላ፡ ነታ ሰበይቲ ኸኣ ይበላ፡ ሰብኣይ እንተ ዘይደቀስኪ፡ ኣብ ትሕቲ ሰብኣይኪ ኸሎኺ ጠሊምክዮ ዘይረኸስኪ እንት ዄንኪ፡ እዚ መርገም ዘምጽእ መሪር ማይ ኣይጕዳእኪ። 20ኣብ ትሕቲ ሰብኣይኪ ኸሎኺ ጠሊምክዮ ረኺስኪ እንተ ዄንኪ ግና፡ ብጀካ ሰብኣይኪ ኻልእ እንተ ደቂሱኪ፡ 21ሽዑ እቲ ኻህን ነታ ሰበይቲ ብማሕላ መርገም የምሕላ፡ እቲ ኻህን ድማ ነታ ሰበይቲ፡ እግዚኣብሄር ንሰለፍኪ ብምውዳቑ፡ ንኸብድኺ ድማ ብምንፋሑ፡ እግዚኣብሄር ኣብ ማእከል ህዝብኺ መራገምን መምሓልን ይግበርኪ፡ 22ንኸብድኺ ኽነፍሕ ንሰለፍኪ ኸኣ ከውድቕ፡ እዚ መርገም ዘምጽእ ማይ እዚ ናብ ውሽጥኺ ይእቶ፡ ይበላ። እታ ሰበይቲ ድማ፡ ኣሜን ኣሜን፡ ትበል። 23እቲ ኻህን ከኣ ነዚ መርገም እዚ ኣብ መጽሓፍ ይጽሓፎ፡ በቲ መሪር ማይ ከኣ ይደምስሶ። 24ነታ ሰበይቲ ኸኣ እቲ መርገም ዘምጽእ መሪር ማይ የስትያ፡ እቲ መርገም ዘምጽእ ማይ ድማ ይኣትዋ እሞ ክመራ እዩ። 25እቲ ኻህን ድማ ነቲ ናይ ቅንኣት መስዋእቲ ብልዒ ኻብ ኢድ እታ ሰበይቲ ይውሰዶ፡ ነቲ መስዋኣቲ ብልዒ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እግዚብሄር ይወዝውዞ፡ ናብ መሰውኢውን የቕርቦ። 26እቲ ኻህን ድማ ካብቲ መስዋእቲ ብልዒ ንመዘከርታ ምሉእ ኢድ ወሲዱ ኣብ መሰውኢ የሕርሮ፡ ድሕሪ እቲ ነታ ሰበይቲ እቲ ማይ የስትያ። 27ነቲ ማይ ምስ ኣስተያ ኸኣ፡ ክኸውን እዩ፡ ንሳ ረኺሳ፡ ንሰብኣያ ድማ ዓገብ ዓጊባቶ እንተ ዀይና፡ እቲ መርገም ዘምጽእ ማይ ኣትዩ ኽመራ እዩ፡ ከብዳ ኸኣ ይንፋሕ፡ ሰለፋውን ይወድቕ፡ እታ ሰበይቲ ኣብ ማእከል ህዝባ መራገሚ ትኸውን። 28እታ ሰበይቲ ዘይረኸሰት፡ ንሳ ንጽህቲ እንተ ዀይና ኸኣ፡ ሓራ ውጽእቲ እያ፡ ዘርኢ ኸኣ ትረክብ።
   29ሕጊ ቕንኣት እዚ እዩ፡ ሰበይቲ ኣብ ትሕቲ ሰብኣያ ኸላ ጠሊማቶ ምስ እትረክስ፡ 30ወይ ንሰብኣያ መንፈስ ቅንኣት እንተ መጾ፡ ብሰበይቱ ኸኣ እንተ ቐንኣ፡ ሽዑ ነታ ሰበይቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደው የብላ፡ እቲ ኻህን ድማ እዚ ሕጊዚ ብዘሎ ይግበረላ። 31እቲ ሰብኣይ ከኣ ካብ ክፍኣት ንጹህ ይኸውን፡ እታ ሰበይቲ እቲኣ ድማ ክፍኣታ ትጸውር፡

        ዘሁልቁ   ምዕራፍ 6            

   1እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ 2ንደቂ እስራኤል ተዛረቦም በሎም ከኣ፡ ሰብኣይ ኰነ ወይ ሰበይቲ ናዝራዊ ክኸውን ንእግዚኣብሄር ክፍለ እንተ ተመባጽዔ፡ 3ካብ ወይንን ካብ ዘስክር መስተን ይፈለ፡ ዝመጸጸ ወይኒ ዀነ ወይ ዝመጸጸ ዘስክር መስተ ኣይስተ፡ ገለ ኻብ ወይኒ እተጸምቈ ኣይስተ፡ ካብ ወይኒ ድማ ብሰዊቱ ዀነ ወይ ብንቑጹ ኣይብላዕ። 4ብዅለን መዓልትታት ናዝራዊነቱ ፍሬኡ ዀነ ገፈሉ ዀነ፡ ገለ ኻብ ኦም ወይኒ ኣይብላዕ። 5ብዅለን መዓልታት መብጽዓ ናዝራዊነቱ መላጸ ናብ ርእሱ ኣይሕለፍ፡ እተን ንእግዚኣብሄር እተፈልየለን መዓልትታት ክሳዕ ዝመልኣ፡ ቅዱስ ይኹን፡ ጸጕሪ ርእሱ ኸኣ የንውሕ። 6በተን ንእግዚኣብሄር እተፈልየለን ኲለን መዓልትታት ናብ ምዉት ሰብ ኣይእቶ። 7ናዝራዊነቱ ንኣምላኽ ኣብ ርእሱ እዩ እሞ፡ በቦኡን በዲኡን ብሓዉን ብሓብቱን ብሞቶም ኣይርከስ። 8ብዅለን መዓልትታት ናዝራዊነቱ ንሱ ንእግዚኣብሄር እተቐደሰ እዩ። 9ብድንገት ኣብ ጥቓኡ ሰብ እንተ ሞተ እሞ ርእሲ ናዝራዊነቱ እንተረኸሰ፡ በታ ዝነጽሃላ መዓልቲ ርእሱ ይላጺ፡ ብሳብዐይቲ መዓልቲ ይላጽዮ። 10ኣብ ሳምነይቲ መዓልቲ ድማ ክልተ ባሬቶ ወይ ክልተ ናኣሽቱ ርግቢ ናብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብ ናብ ካህን የምጽእ። 11እቲ ኻህን ድማ እታ ሓንቲ ንመስዋእቲ ሓጢኣት እታ ኻልኣይቲ ኸኣ ንዝሓርር መስዋእቲ ይሰውእ። ካብቲ በቲ ምዉት ዝገበሮ ሓጢኣት የተዓርቆ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ርእሱ ይቐድስ። 12መዓልትታት ናዝራዊነቱ ንእግዚኣብሄር ይፍለ፡ ንመስዋእቲ በደል ድማ ገንሸል ዓመት የምጽእ። እቲ ናዝራዊነቱ ስለ ዝረኸሰ፡ እተን ቀዳሞት መዓልትታት ከንቱ ዀና።
   13ሕጊ ናዝራዊ ኸኣ እዚ እዩ፡ መዓልትታት ናዝራዊነቱ ምስ መልኣ፡ ናብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብ የምጽእዎ። 14-15መስዋእቱ ድማ ንዝሓርር መስዋእቲ ጐደሎ ዘይብሉ ገንሸል ዓመት፡ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ድማ ጐደሎ ዘይብላ ሽበን ዓመት፡ ንመስዋእቲ ምስጋናውን ጐደሎ ዘይብሉ ድዑል፡ ሓደ መሶብ ካብ ድኹም ሓርጭ ብዘይቲ እተቘምጥዐ፡ ዘይበዅዔ ቕጫታትን፡ ዘይቲ እተለኸየ ዘይበዅዐ ረቀቕቲ ቕጫታትን ምስኡ ኸኣ መስዋእቲ ብልዕን መስዋእቲ መስተን ንእግዚኣብሄር የቕርበሉ። 16እቲ ኻህን ከኣ ናብ ቅድሚ እግዚብሄር የቕርቦ፡ ንመስዋእቲ ሓጢኣቱን ንዝሓርር መስዋእቱን ይሰውኣዮ። 17ነቲ ድዑል ድማ ምስቲ ዘይበዅዐ መሶብ እንጌራ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ምስጋና ይሰውኣዮ። እቲ ኻህን መስዋእቲ ብልዕን መስዋእቲ መስተን ከኣ ይሰውእ። 18እቲ ናዝራዊ ድማ ነቲ ርእሲ ናዝራዊነቱ ኣብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብ ይላጽዮ። ነቲ ጸጕሪ ርእሲ ናዝራዊነቱ ወሲዱ ኸኣ ናብቲ ትሕቲ መስዋእቲ ምስጋና ዘሎ ሓዊ የእትዎ። 19ነቲ ናዝራዊነቱ ምስ ላጸየ ድማ፡ እቲ ኻህን ነታ ዝበሰለት ኢድ ድዑል ይውሰድ። ካብቲ መሶብ ከኣ ሓደ ዘይበዅዐ ቕጫን ሓደ ዘይበዅዐ ረቂቕ ቅጫን ገይሩ ኣብ ኢድ እቲ ናዝራዊ የንብር። 20እቲ ኻህን ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንመስዋእቲ ምውዝዋዝ ይወዝውዞ። እዚ ምስቲ ዝውዝወዝ ሓኸለን ዝለዓል እግርን ነቲ ኻህን ይቀደስ። ድሕርዚ እቲ ናዝራዊ ወይኒ ይስተ። 21ብጀካ እቲ ኣብ ኢዱ ዝረኸቦ፡ ሕጊ እቲ እተመባጽዐ ናዝራውን ናይ ናዝራዊነት መስዋእቱ ንእግዚኣብሄርን እዚ እዩ። ከምቲ ሕጊ ናዝራዊነቱ፡ ከምቲ እተመባጽዖ መብጾዓ ኸምኡ ይግበር።
   22እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ 23ንኣሮንን ንደቁን ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፡ ንደቂ እስራኤል ከምዚ ኢልኩም ባርኽዎም፡ 24እግዚኣብሄር ይባርኽካን ይሓሉኻን። 25እግዚኣብሄር ገጹ የብርሃልካ፡ ጸጋ ኸኣ ይሃብካ። 26እግዚኣብሄር ገጹ ይምለሰልካ፡ ሰላም ድማ ይሃብካ። 27ከምዚ ገይሮም ስመይ ኣብ ደቂ እስራኤል የንብሩ፡ ኣነ ከኣ ክባርኾም እየ።

        ዘሁልቁ   ምዕራፍ 7

   1ኰነ ኸኣ፡ ሙሴ በታ ነቲ ማሕደር ተኺሉ ዝፈጸመላ መዓልቲ ንእኡን ንዅሉ ኣቓሑኡን ምስ ቀብኦን ምስ ቀደሶን፡ ነቲ መሰውእን ንዅሉ ኣቓሑኡ ድማ ምስ ቀብኦን ምስ ቀደሶን፡ 2እቶም ሹማምቲ እስራኤል፡ ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታቶም፡ ንሳቶም ሹማምቲ እቶም ነገዳት፡ ንሳቶም ኣብ ልዕሊ እቶም ቁጹራት ዝነበሩ፡ ይሃብ ኣቕረቡ፡ 3ህያቦም ሹድሽተ ኽዱናት ሰረገላን ዓሰርተው ክልተ ብዕራይን ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምጽኡ፡ ንኽልተ ሹም ሓደ ሰረገላ፡ ንነፍሲ ወከፍ ሹም ሓደ ብዕራይ፡ ናብ ቅድሚ ማሕደር ኣቕረብዎ። 4እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ 5ኣብ ኣገልግሎት ድንኳን ምርኻብ ንመዕየዪ ኪኸውን ካባታቶም ውሰዶ፡ ንሱ ኸኣ ንሌዋውያን ንነፍሲ ወከፍ ከከምቲ ኣገልግሎቱ ሃቦም። 6ሙሴ ድማ እቲ ሰረገላታትን እቶም ኣብዑርን ወሲዱ ንሌዋውያን ሃቦም። 7ንደቂ ጌርሾን ከም መጠን ኣገልግሎቶም ክልተ ሰረገላን ኣርባዕተ ብዕራይን ሃቦም። 8ንደቂ መራሪ ኸኣ ከም መጠን ኣገልግሎቶም ብትሕቲ ኢድ ኢታማር ወዲ ኻህን ኣሮን፡ ኣርባዕተ ሰረገላን ሾሞንተ ብዕራይን ሃቦም። 9ንደቂ ቃሃት ግና፡ እቲ ኣገልግሎቶም ኣብ መቕደስ ኣብ መንኩቦም ብምጽዋር ነበረ እሞ፡ ገለ ኣይሃቦምን።
   10እቶም ሹማምቲ ኸኣ ንምቕዳስ እቲ መሰውኢ በታ እተቐብኣላ መዓልቲ ህያብ ኣቕረቡ፡ እቶም ሹማምቲ ቑርባኖም ናብ ቅድሚ መሰውኢ ኣቕረቡ። 11እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ እቲ ናይ ምቕዳስ መሰውኢ ቑርባኖም ሓደ ሹም ንመዓልቲ፡ ሓደ ሹም ንመዓልቲ የቕርቡ፡ በሎ።
   12እቲ ብቐዳመይቲ መዓልቲ ቑርባኑ ዘቕረበ፡ ነኣሶን ወዲ ኣሚናዳብ፡ ካብ ነገድ ይሁዳ እዩ። 13ብሲቃል መቕደስ ሚእትን ሰላሳን ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጻሕሊ ብሩር፡ ሰብዓ ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጭሔሎ ብሩር፡ ክልቲኡ ንመስዋእቲ ብልዒ ብዘይቲ እተቘምጥዐ ድኹም ሓርጭ ዝመልአ፡ 14ዓሰርተ ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጽዋእ ወርቂ፡ ዕጣን ዝመልአ፡ 15ንዝሓርር መስዋእቲ ኸኣ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ድዑልን ሓደ ገንሸል ዓመትን። 16ንመስዋእቲ ሓጢኣት ድማ ሓደ ድቤላ፡ 17ንመስዋእቲ ምስጋናውን ክልተ ብዕራይ፡ ሓሙሽተ ድዑል፡ ሓሙሽተ ድቤላ፡ ሓሙሽተ ገንሸል ዓመት፡ ቁርባን ነኣሶን ወዲ ኣሚናዳብ እዚ እዩ።
   18ኣብ ካልኣይቲ መዓልቲ ናትናኤል ወዲ ጹዓር፡ ሹም ይሳኮር፡ ኣቕረበ። 19ብሲቃል መቕደስ ሚእትን ሰላሳን ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጻሕሊ ብሩር፡ ሰብዓ ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጭሔሎ ብሩር፡ ክልቲኡ ንመስዋእቲ ብልዒ ብዘይቲ እተቘምጥዐ ድኹም ሓርጭ ዝመልአ፡ 20ዓሰርተ ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጽዋእ ወርቂ፡ ዕጣን ዝመልአ፡ 21ንዝሓርር መስዋእቲ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ድዑልን ሓደ ገንሸል መዓልትን፡ 22ንመስዋእቲ ሓጢኣት ከኣ ሓደ ድቤላ፡ 23ንመስዋእቲ ምስጋና ድማ ክልተ ብዕራይ፡ ሓሙሽተ ድዑል፡ ሓሙሽተ ድቤላ፡ ሓሙሽተ ገንሸል ዓመት፡ ቁርባን ናትናኤል ወዲ ጹዓር እዚ እዩ።
   24ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኤልያብ ወዲ ሔሎን፡ ሹም ደቂ ዛብሎን፡ 25ቁርባኑ ብሲቃል መቕደስ ሚእትን ሰላሳን ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጻሕሊ ብሩር፡ ሰብዓ ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጭሔሎ ብሩር፡ ክልቲኡ ንመስዋእቲ ብልዒ ብዘይቲ እተቘምጥዐ ድኹም ሓርጭ ዝመልአ፡ 26ዓሰርተ ሲቃል ዝሚዛኑ ጽዋእ ወርቂ፡ ዕጣን ዝመልአ፡ 27ንዝሓርር መስዋእቲ ሓደ ዝራብዕ፡ ሓደ ድዑል፡ ሓደ ገንሸል ዓመት። 28ንመስዋእቲ ሓጢኣት ሓደ ድቤላ፡ 29ንመስዋእቲ ምስጋና ድማ ክልተ ብዕራይ፡ ሓሙሽተ ድዑል፡ ሓሙሽተ ድቤላ፡ ሓሙሽተ ገንሸል ዓመት፡ ቁርባን ኤልያብ ወዲ ሔሎን እዚ እዩ።
   30ኣብ ራብዐይቲ መዓልቲ ኤሊጹር ወዲ ሸደውር፡ ሹም ደቂ ሮቤል፡ 31ቁርባኑ ብሲቃል መቕደስ ሚእትን ሰላሳን ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጻሕሊ ብሩር፡ ሰብዓ ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጭሕሎ ብሩር፡ ክልቲኡ ንመስዋእቲ ብልዒ ብዘይቲ እተቘምጥዐ ድኹም ሓርጭ ዝመልአ፡ 32ዓሰርተ ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጽዋእ ወርቂ፡ ዕጣን ዝመልአ፡ 33ንዝሓርር መስዋእቲ ሓደ ዝራብዕ፡ ሓደ ድዑል፡ ሓደ ገንሸል ዓመት፡ 34ንመስዋእቲ ሓጢኣት ሓደ ድቤላ፡ 35ንመስዋእቲ ምስጋና ኸኣ ክልተ ብዕራይ፡ ሓሙሽተ ድዑል፡ ሓሙሽተ ድቤላ፡ ሓሙሽተ ገንሸል ዓመት፡ ቁርባን ኤሊጹር ወዲ ሸደውር እዚ እዩ።
   36ኣብ ሓምሰይቲ መዓልቲ ሸሉሚኤል ወዲ ጹሪሻይዳ፡ ሹም ደቂ ስምኦን፡ 37ቁርባኑ ብሲቃል መቕደስ ሚእትን ሰላሳን ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጻሕሊ ብሩር፡ ሰብዓ ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጭሔሎ ብሩር፡ ክልቲኡ ንመስዋእቲ ብልዒ ዘይቲ እተቘምጥዐ ድኹም ሓርጭ ዝመልአ፡ 38ዓሰርተ ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጽዋእ ወርቂ፡ ዕጣን ዝመልአ፡ 39ንዝሓርር መስዋእቲ ሓደ ዝራብዕ፡ ሓደ ድዑል፡ ሓደ ገንሸል ዓመት፡ 40ንመስዋእቲ ሓጢኣት ሓደ ድቤላ፡ 41ንመስዋእቲ ምስጋና ኸኣ ክልተ ብዕራይ፡ ሓሙሽተ ድዑል፡ ሓሙሽተ ድቤላ፡ ሓሙሽተ ገንሸል ዓመት። ቁርባን ሸሉሚኤል ወዲ ጹሪሻዳይ እዚ እዩ።
   42ኣብ ሳድሰይቲ መዓልቲ ኤልያሳፍ ወዲ ድዑኤል፡ ሹም ደቂ ጋድ፡ 43ቁርባኑ ብሲቃል መቕደስ ሚእትን ሰላሳን ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጻሕሊ ብሩር፡ ሰብዓ ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጭሔሎ ብሩር፡ ክልቲኡ ንመስዋእቲ ብልዒ ብዘይቲ እተቘምጥዐ ድኹም ሓርጭ ዝመልአ፡ 44ዓሰርተ ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጽዋእ ወርቂ፡ ዕጣን ዝመልአ፡ 45ንዝሓርር መስዋእቲ ሓደ ዝራብዕ፡ ሓደ ድዑል፡ ሓደ ገንሸል ዓመት፡ 46ንመስዋእቲ ሓጢኣት ሓደ ድቤላ 47ንመስዋእቲ ምስጋና ኸኣ ኽልተ ብዕራይ፡ ሓሙሽተ ድዑል፡ ሓሙሽተ ድቤላ፡ ሓሙሽተ ገንሸል ዓመት፡ ቁርባን ኤልያሳፍ ወዲ ድዑኤል እዚ እዩ።
   48ኣብ ሳብዐይቲ መዓልቲ ኤሊሻማዕ ወዲ ዓሚሁድ፡ ሹም ደቂ ኤፍሬም፡ 49ቁርባኑ ብሲቃል መቕደስ ሚእትን ሰላሳን ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጻሕሊ ብሩር፡ ሰብዓ ሲቃል ዝሚዛኒ ሓደ ጭሔሎ ብሩር፡ ክልቲኡ ንመስዋእቲ ብልዒ ብዘይቲ እተቘምጥዐ ድኹም ሓርጭ ዝመልአ፡ 50ዓሰርተ ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጽዋእ ወርቂ፡ ዕጣን ዝመልአ፡ 51ንዝሓርር መስዋእቲ ሓደ ዝራብዕ፡ ሓደ ድዑል፡ ሓደ ገንሸል ዓመት፡ 52ንመስዋእቲ ሓጢኣት ሓደ ድቤላ፡ 53ንመስዋእቲ ምስጋና ኸኣ ክልተ ብዕራይ፡ ሓሙሽተ ድዑል፡ ሓሙሽተ ድቤላ፡ ሓሙሽተ ገንሸል ዓመት፡ ቁርባን ኤሊሻማዕ ወዲ ዓሚሁድ እዚ እዩ።
   54ኣብ ሳምነይቲ መዓልቲ ገማልኤል ወዲ ጰዳህጹር፡ ሹም ደቂ ምናሴ፡ 55ቁርባኑ ብሲቃል መቕደስ ሚእትን ሰላሳን ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጸሕሊ ብሩር፡ ሰብዓ ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጭሔሎ ብሩር፡ ክልቲኡ ንመስዋእቲ ብልዒ ብዘይቲ እተቘምጥዐ ድኹም ሓርጭ ዝመልአ፡ 56ዓሰርተ ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጽዋእ ወርቂ፡ ዕጣን ዝመልአ፡ 57ንዝሓርር መስዋእቲ ሓደ ዝራብዕ፡ ሓደ ድዑል፡ ሓደ ገንሸል ዓመት፡ 58ንመስዋእቲ ሓጢኣት ሓደ ድቤላ፡ 59ንመስዋእቲ ምስጋና ድማ ክልተ ብዕራይ፡ ሓሙሽተ ድዑል፡ ሓሙሽተ ድቤላ፡ ሓሙሽተ ገንሸል ዓመት፡ ቁርባን ገማልኤል ወዲ ጳዳህጹር እዚ እዩ።
   60ኣብ ታስዐይቲ መዓልቲ ኣቢዳን ወዲ ጊድዖኒ፡ ሹም ደቂ ብንያም፡ 61ቁርባኑ ብሲቃል መቕደስ ሚእትን ሰላሳን ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጻሕሊ ብሩር፡ ሰብዓ ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጭሔሎ ብሩር፡ ክልቲኡ ንመስዋእቲ ብልዒ ብዘይቲ እተቘምጥዐ ድኹም ሓርጭ ዝመልአ። 62ዓሰርተ ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጽዋእ ወርቂ፡ ዕጣን ዝመልአ፡ 63ንዝሓርር መስዋእቲ ሓደ ዝራብዕ፡ ሓደ ድዑል፡ ሓደ ገንሸል ዓመት፡ 64ንመስዋእቲ ሓጢኣት ሓደ ድቤላ፡ 65ንመስዋእቲ ምስጋና ኸኣ ክልተ ብዕራይ ሓሙሽተ ድዑል፡ ሓሙሽተ ድቤላ፡ ሓሙሽተ ገንሸል ዓመት፡ ቁርባን ኣቢዳን ወዲ ጊድዖኒ እዚ እዩ። 66ኣብ ዓስረይቲ መዓልቲ ኣሒዔዘር ወዲ ዓሚሻዳይ፡ ሹም ደቂ ዳን፡ 67ቁርባኑ ብሲቃል መቕደስ ሚእትን ሰላሳን ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጻሕሊ ብሩር፡ ሰብዓ ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጭሔሎ ብሩር፡ ክልቲኡ ንመስዋእቲ ብልዒ ብዘይቲ እተቘምጥዐ ድኹም ሓርጭ ዝመልአ፡ 68ዓሰርተ ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጽዋእ ወርቂ፡ ዕጣን ዝመልአ፡ 69ንዝሓርር መስዋእቲ ሓደ ዝራብዕ፡ ሓደ ድዑል፡ ሓደ ገንሸል ዓመት፡ 70ንመስዋእቲ ሓጢኣት ሓደ ድቤላ፡ 71ንመስዋእቲ ምስጋና ኸኣ ክልተ ብዕራይ፡ ሓሙሽተ ድዑል፡ ሓሙሽተ ድቤላ፡ ሓሙሽተ ገንሸል ዓመት፡ ቁርባን ኣሒዔዘር ወዲ ዓሚሻዳይ እዚ እዩ።
   72ኣብ መበል ዓሰርተው ሓደ መዓልቲ ጳግዒኤል ወዲ ዖክራን፡ ሹም ደቂ ኣሴር፡ 73ቁርባኑ ብሲቃል መቕደስ ሚእትን ሰላሳን ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጻሕሊ ብሩር፡ ሰብዓ ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጭሔሎ ብሩር፡ ክልቲኡ ንመስዋእቲ ብልዒ ብዘይቲ እተቘምጥዐ ድኹም ሓርጭ ዝመልአ። 74ዓሰርተ ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጽዋእ ወርቂ፡ ዕጣን ዝመልአ፡ 75ንዝሓርር መስዋእቲ ሓደ ዝራብዕ፡ ሓደ ድዑል፡ ሓደ ገንሸል ዓመት፡ 76ንመስዋእቲ ሓጢኣት ሓደ ድቤላ፡ 77ንመስዋእቲ ምስጋና ኸኣ ክልተ ብዕራይ፡ ሓሙሽተ ድዑል፡ ሓሙሽተ ድቤላ፡ ሓሙሽተ ገንሸል ዓመት፡ ቁርባን ጳግዒኤል ወዲ ዖክራን እዚ እዩ።
   78ኣብ መበል ዓሰርተው ክልተ መዓልቲ ኣሒራዕ ወዲ ዔናን፡ ሹም ደቂ ንፍታሌም፡ 79ቁርባኑ ብሲቃል መቕደስ ሚእትን ሰላሳን ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጻሕሊ ብሩር፡ ሰብዓ ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጭሔሎ ብሩር፡ ክልቲኡ ንመስዋእቲ ብልዒ ብዘይቲ እተቘምጥዐ ድኹም ሓርጭ ዝመልአ፡ 80ዓሰርተ ሲቃል ዝሚዛኑ ሓደ ጽዋእ ወርቂ፡ ዕጣን ዝመልአ፡ 81ንዝሓርር መስዋእቲ ሓደ ዝራብዕ፡ ሓደ ድዑል፡ ሓደ ገንሸል ዓመት፡ 82ንመስዋእቲ ሓጢኣት ሓደ ድቤላ፡ 83ንመስዋእቲ ምስጋና ኸኣ ክልተ ብዕራይ፡ ሓሙሽተ ድዑል፡ ሓሙሽተ ድቤላ፡ ሓሙሽተ ገንሸል ዓመት፡ ቁርባን ኣሒራዕ ወዲ ዔናን እዚ እዩ።
   84በታ መሰውኢ እተቐብኣላ መዓልቲ፡ ህያብ ሹማምቲ እስራኤል ንምቕዳሱ እዚ እዩ፡ ዓሰርተው ክልተ ጻሕሊ ብሩር፡ ዓሰርተው ክልተ ጭሔሎ ብሩር፡ ዓሰርተው ክልተ ጽዋእ ወርቂ። 85ነንሓደ ጻሕሊ ብሩር ሚዛኑ ሚእትን ሰላሳን ሲቃል፡ ነንሓደ ጭሔሎ ድማ ሰብዓ፡ ናይቲ ዅሉ ኣቓሑ ብሩር ብሲቃል መቕደስ ክልተ ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ሲቃል ኰነ። 86እተን ዓሰርተው ክልተ ጽዋእ ወርቂ፡ ዕጣን ዝመልኣ ነንጽዋእ ብሲቃል መቕደስ ዓሰርተ ሲቃል፡ ናይቲ ጽዋኣት ወርቂ ዅሉ ሚእትን ዕስራን ሲቃል ኰነ። 87ኲሎም ኣብዑር ንዝሓርር መስዋእቲ ዓሰርተው ክልተ ዝራብዕ፡ ዓሰርተው ክልተ ድዑል፡ ዓሰርተው ክልተ ገንሸል ዓመት፡ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ምስ ናይ ብልዒ መስዋእቶም ዓሰርተው ክልተ ድቤላ፡ 88ኲሎም ኣብዑር መስዋእቲ ምስጋና ድማ ዕስራን ኣርባዕተን ዝራብዕ፡ ስሳ ድዑል፡ ስሳ ድቤላ፡ ስሳ ገንሸል ዓመት ኰነ። እቲ መሰውኢ ምስ ተቐብአ፡ ንምቕዳሱ እተዋህበ እዚ እዩ።
   89ሙሴ ምስኡ ንምዝራብ ናብ ድንኳን ምርኻብ ምስ ኣተወ፡ ካብቲ ኣብ ልዕሊ ታቦት ምስክር ዘሎ መኽደን መተዓረቒ፡ ካብ መንጎ እቶም ክልተ ክሩቤል እቲ ድምጺ ኽዛረቦ ይሰምዕ ነበረ፡ ይዛረቦ ድማ ነበረ።

        ዘሁልቁ   ምዕራፍ 8            

   1እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ 2ንኣሮን ተዛረቦ በሎ ኸኣ፡ ቀነዲል ምስ እትሰቅል፡ እቲ ሾብዓተ ቐንዴል ናብ ቅድሚ እቲ ቐዋሚ ቐንዴል ከም ዝበርህ ግበሮ። 3ኣሮን ከኣ ከምኡ ገበረ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ ነቲ ቐንዴል ኣብ ቅድሚ እቲ ቐዋሚ ቐንዴል ከም ዝበርህ ገበሮ። 4ኣሰራርሓ እቲ ቐዋሚ ቐንዴል ከምዚ እዩ፡ ካብ ወርቂ ብምቕጥቃጥ እተሰርሐ ነበረ፡ ንሱ ኣእጋሩ ዀነ ዕምባባኡ ዀነ ብምቕጥቃጥ እተሰርሐ ነበረ። ነቲ ቐዋሚ ቐንዴል ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዘርኣዮ ምስሊ ገበሮ።
   5እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ 6ንሌዋውያን ካብ ማእከል ደቂ እስራኤል ውሰዶም፡ ኣንጽሃዮም ከኣ። 7ከምዚ ጌርካ ኣንጽሃዮም፡ ማይ ንጽህና ንጸገሎም፡ ኣብ ብዘሎ ስጋኦም ድማ መላጸ የሕልፉ፡ ክዳውንቶም ይሕጸቡ ይንጽሁ ኸኣ። 8ድሕርዚ ሓደ ዝራብዕን ብዘይቲ እተቘምጥዐ ድኹም ሓርጭ ናይ ብልዒ መስዋእቱን ይውሰዱ፡ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ከኣ ካልእ ዝራብዕ ውሰድ። 9ንሌዋውያን ድማ ናብ ቅድሚ ድንኳን ምርኻብ ኣቕርቦም፡ ንብዘሎ ኣኼባ ደቂ እስራኤልውን ኣክቦ። 10ንሌዋውያን ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣቕርቦም፡ ደቂ እስራኤል ከኣ ኣእዳዎም ኣብ ልዕሊ ሌዋውያን የንብሩ። 11ኣሮን ድማ ንሌዋውያን፡ ነገልግሎት ዕዮ እግዚኣብሄር ክዀኑ፡ ዝውዝወዝ መስዋእቲ ደቂ እስራኤል ገይሩ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይወዝውዞም። 12ሌዋውያን ድማ ኣእዳዎም ኣብ ልዕሊ ርእሲ እቶም ዝራብዓት የንብሩ፡ ንሌዋውያን ምእንቲ ኸተተዓርቖም ከኣ፡ እቲ ሓደ ንመስዋእቲ ሓጢኣት እቲ ኻልኣይ ከኣ ንዝሓርር መስዋእቲ ጌርካ፡ ንእግዚኣብሄር ሰውኣዮም። 13ንሌዋውያን ድማ ኣብ ቅድሚ ኣሮንን ኣብ ቅድሚ ደቁን ኣቑሞም እሞ ንእግዚኣብሄር ዝውዝወዝ መስዋእቲ ጌርካ ወዝውዞም። 14ሌዋውያን ንኣይ ምእንቲ ክኾኑስ፡ ንሌዋውያን ካብ ማእከል ደቂ እስራኤል ፍለዮም። 15ድሕርቲ ሌዋውያን ኣብ ድንኳን ምርኻብ ከገልግሉ ይእተዉ እሞ ኣንጽሃዮም፡ ንዝውዝወዝ መስዋእቲ ኸኣ ወዝውዞም። 16ካብ ማእከል ደቂ እስራኤል ብመላኦም ንኣይ ተውሂቦም እዮም እሞ፡ ኣብ ክንዲ ማሕጸን ዝኸፍት ኩሉ፡ በኹሪ ዅሎም ድቂ እስራኤል፡ ንኣይ ወሲደዮም እየ። 17ሰብ ኰነ እንስሳ ዀነ ዅሉ በዅሪ ኣብ ደቂ እስራኤል ናተይ እዩ እሞ፡ በታ ኣብ ምድሪ ግብጺ ንዅሉ በዅሪ ዝወቓዕኩላ መዓልቲ ንኣይ ቀደስኩዎም። 18ኣብ ክንዲ ዅሉ በዅሪ ኣብ ደቂ እስራኤል ከኣ ንሌዋውያን ወሰድኩ። 19ደቂ እስራኤል ናብ መቕደስ ብምቕራቦም ናብ ደቂ እስራኤል መዓት ምእንቲ ኸይወርድ፡ ኣብ ድንኳን ምርኻብ ኣገልግሎት ደቂ እስራኤል ከገልግሉ እሞ ንደቂ እስራኤል ከተዓርቕዎም፡ ካብ ማእከል ደቂ እስራኤል ከኣ ሌዋውያን ንኣሮንን ንደቁን ህያብ ሂበዮም ኣሎኹ።
   20ሙሴን ኣሮንን ብዘሎ ኣኼባ ደቂ እስራኤልን ድማ ንሌዋውያን እዚ ገበሩሎም፡ ደቂ እስራኤል ከምቲ እግዚኣብሄር ብዛዕባ ሌዋውያን ንሙሴ ዝኣዘዞ ዅሉ ኸምኡ ገበሩሎም። 21ሌዋውያን ከኣ ነጽሁ፡ ክዳውንቶምውን ሓጸቡ። ኣሮን ከኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንዝውዝወዝ መስዋእቲ ወዝወዞም፡ ኣሮን ድማ ንምንጻሆም ኣተዓረቐም። 22ድሕርቲ ሌዋውያን ኣብ ቅድሚ ኣሮንን ኣብ ቅድሚ ደቁን ኣብ ድንኳን ምርኻብ ኣገልግሎቶም ክገብሩ ኣተዉ። ከምቲ እግዚኣብሄር ብዛዕባ ሌዋውያን ንሙሴ ዝኣዘዘ፡ ከምኡ ገበሩሎም።
   23እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ 24ንሌዋውያን ዝግባእ እዚ እዩ፡ ካብ ወዲ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ንላዕሊ፡ ናብ ዕዮ ድንኳን ምርኻብ ከገልግሉ ይእተዉ። 25ካብ ወዲ ሓምሳ ዓመት ከኣ ካብ ዕዮ ኣገልግሎት ይመለስ፡ ድሕሪ ደጊም ኣየገልግል። 26ኣብቲ ሓለዋ ኣሕዋቱ ኣብ ድንኳን ምርኻብ ይሓግዝ፡ ኣብ ኣገልግሎት ግና ኣይዕየ። ንሌዋውያን በቲ ሓለዋኦም ከምኡ ግበረሎም።

        ዘሁልቁ   ምዕራፍ 9            

   1ካብ ምድሪ ግብጺ ኻብ ዝወጹ፡ ኣብ ካልኣይቲ ዓመቶም ኣብታ ቐዳመይቲ ወርሒ ድማ እግዚኣብሄር ኣብ በረኻ ሲና ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ። 2ደቂ እስራኤል በቲ ምዱብ ጊዚኡ ፋስጋ የብዕሉ። 3ኣብዛ ወርሒ እዚኣ ኣብ መበል ዓሰርተው ኣርባዕተ መዓልቲ፡ በቲ ምዱብ ግዜኡ፡ ክመሲ ኸሎ ኣብዕልዎ። ከም ኲሉ ሕጋጋቱን ከም ኲሉ ስርዓቱን ጌርኩም ኣብዕልዎ።
   4ሙሴ ኸኣ ንደቂ እስራኤል ፋስጋ ኸብዕሉ ተዛረቦም። 5ንሳቶም ድማ ኣብታ ቐዳመይቲ ወርሒ፡ ካብታ ወርሒ ኸኣ መበል ዓሰርተው ኣርባዕተ መዓልቲ፡ ክመሲ ኸሎ ኣብ በረኻ ሲና ፋሲጋ ኣብዓሉ። ደቂ እስራኤል ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ዅሉ፡ ከምኡ ገበሩ።
   6ድማ ብምዉት ሰብ ዝረኸሱ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ፋስጋ ኸብዕሉ ዘይከኣሉ ሰባት ነበሩ፡ ንሳቶም ከኣ በታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ቅድሚ ሙሴን ኣብ ቅድሚ ኣሮንን ቀረቡ። 7እቶም ሰባት እቲኦም ድማ፡ ንሕና ብምዉት ሰብ ረኺስና ኢና እሞ፡ በታ ምድብቲ ግዜ መባእ እግዚኣብሄር ኣብ መንጎ እስራኤል ከይነቕርብ እተኸልከልና ስለምንታይ እዩ፧ በልዎ። 8ሙሴ ኸኣ፡ እግዚኣብሄር ብዛዕባኹም ዝእዝዞ ኽሰምዕሲ፡ ደው ኢልኩም ጽንሑ፡ በሎም።
   9እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ 10ንደቂ እስራኤል ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፡ ዝዀነ ሰብ ካባኻትኩም ወይ ካብ ወለዶኹም ብምዉት እንተ ረኸሰ ወይ ኣብ ርሑቕ መገዲ እንተሎ፡ ንእግዚኣብሄር ፋስጋ የብዕል። 11ንሱ ኣብታ ኻልኣይቲ ወርሒ፡ ኣብ መበል ዓሰርተው ኣርባዕተ መዓልቲ ኽመሲ ኸሎ የብዕሉ፡ ምስ ቅጫን መሪር ሓምልን ይብልዕዎ። 12ካብኡ ገለ ኽሳዕ ጽባሕ ኣይሕደጉ፡ ዓጽሙ ኸኣ ኣይስበሩ። ከም ኲሉ ሕጊ ፋስጋ ይግበርዎ። 13ዝዀነ ሰብ፡ ንጹህ ክነሱ፡ ኣብ መገዲውን ዘይኰነ፡ ፋስጋ ዘየብዓለ፡ መባእ እግዚኣብሄር በቲ ምዱብ ጊዚኡ ስለ ዘየቕረባ፡ እታ ነፍሲ እቲኣ ኻብ ህዝባ ትመንቈስ። እቲ ሰብ እቲ ሓጢኣቱ ይጸውር። 14ጓና ምሳኻትኩም ዝነብር እንተሎ፡ ፋስጋ ንእግዚኣብሄር ከብዕል እንተ ደለየ፡ ከምቲ ናይ ፋስጋ ሕግን ስርዓትን ይግበር። ንጓናን ንወዲ ዓድን ሓደ ሕጊ ይኹነልኩም።
   15በታ እቲ ማሕደር እተተኽለላ መዓልቲ ድማ ነቲ ማሕደር፡ ነቲ ድንኳን ምስክር ደበና ኣጐልበቦ፡ ካብ ምሸት ክሳዕ ብጊሓት ድማ ከም ትርኢት ሓዊ ኣብ ልዕሊ እቲ ማሕደር ነበረ። 16ወርትግ ከምኡ ነበረ፡ ደበና ኣጐልበቦ ብለይቲ ኸኣ ትርኢት ሓዊ። 17እቲ ደበና ኻብ ልዕሊ እቲ ድንኳን ምስ ተላዕለ፡ ድሕርቲ ደቂ እስራኤል ይጕዓዙ፡ እቲ ደበና ኣብ ዝቘመሉ ኸኣ፡ ደቂ እስራኤል ኣብኡ ይሰፍሩ ነበሩ። 18ደቂ እስራኤል ብትእዛዝ እግዚኣብሄር ይጕዓዙ፡ ብትእዛዝ እግዚኣብሄር ከኣ ይሰፍሩ ነበሩ። እቲ ደበና ኣብ ልዕሊ እቲ ማሕደር ብዝቘመሉ ግዜ ኣብቲ ዝሰፈርዎ ይጸንሑ ነበሩ። 19እቲ ደበና ብዙሕ መዓልቲ ኣብ ልዕሊ ማሕደር እንተ ጸንሐ፡ ደቂ እስራኤል እቲ ሓለዋ እግዚኣብሄር ይሕልዉ ነበሩ እሞ ኣይተጓዕዙን። 20እቲ ደበና ቕሩብ መዓልቲ ኣብ ልዕሊ ማሕደር እንተ ነበረ፡ ብትእዛዝ እግዚኣብሄር ሰፊሮም ቀነዩ፡ ብትእዛዝ እግዚኣብሄር ከኣ ተጓዕዙ። 21እቲ ደበና ኻብ ምሸት ክሳዕ ብጊሓት እንተ ነበረ ኸኣ፡ እቲ ደበና ንግሆ ምስ ተላዕለ፡ ይጕዓዙ ነበሩ። ሓንቲ መዓልትን ሓንቲ ለይትን እንተጸንሐ፡ እቲ ደበና ምስ ተላዕለ፡ ሽዑ ተጓዕዙ። 22እቲ ደበና ኣብ ልዕሊ ማሕደር ተቐሚጡ ኽልተ መዓልቲ ወይ ሓደ ወርሒ፡ ወይ ነዊሕ ግዜ እንተ ደንጐየ፡ ደቂ እስራኤል ሰፊሮም ይጸንሑ እምበር፡ ኣይጐዓዙን ነበሩ። ምስ ዚለዓል ግና፡ ይጕዓዙ፡ ነበሩ። 23ብትእዛዝ እግዚኣብሄር ይሰፍሩ ብትእዛዝ እግዚኣብሄር ድማ ይጕዓዙ ነበሩ። ከምቲ እግዚኣብሄር ብኢድ ሙሴ ዝኣዘዞ፡ ነቲ ሓለዋ እግዚኣብሄር ይሕልዉ ነበሩ።

        ዘሁልቁ   ምዕራፍ 10            

   1እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ 2ንኣኻ ክልተ መለኸት ብሩር ግበር፡ ብምቕጥቃጥ ስርሓዮ። ነቲ ኣኼባ ንምጽዋዕን ነቲ ሰፈር ከኣ ንምጕዓዝን ይኹንካ። 3ብእኡ ምስ ዝነፍሑ፡ ብዘሎ ኣኼባ ናባኻ ኣብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብ ይተኣከብ። 4ብሓደ ጥራይ እንተ ነፍሑ ኸኣ፡ እቶም ሹማምቲ። ሓላቑ ኣሽሓት እስራኤል፡ ናባኻ ይተኣከቡ። 5መለኸት ኣንዊሕኩም ምስ እትነፍሑ ድማ፡ ብሸነኽ ምብራቕ ሰፊሮም ዘለዉ ይንቀሉ። 6ካልኣይ ሳዕ ኣንዊሕኩም ምስ እትነፍሑ ኸኣ፡ ብሸነኽ ደቡብ ሰፊሮም ዘለዉ ይንቀሉ። ንምንቃሎም ኣንዊሖም ይንፍሑ። 7እቲ ኣኼባ ምስ ዝእከብ ከኣ ንፍሑ፡ ግናኸ ኣይተንውሕዎ። 8እቶም ካህናት ደቂ ኣሮን ድማ መለኸት ይንፍሑ። እዚ ንውሉድ ወለዶኹም ሕጊ ዘለኣለም ይኹነልኩም። 9ምስቲ ዝጸቕጠኩም ጸላኢ ኽትዋግኡ ናብ ምድርኹም ምስ እትወጹ፡ ኣንዊሕኩም መለኸት ንፍሑ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ድማ ትዝከሩ፡ ካብ ጸላእትኹም ከኣ ትድሕኑ። 10ብመዓልቲ ሓጐስኩምን ብበዓላትኩምን ብመጀመርታ ኣዋርሕኩምን ኣብ ልዕሊ እቲ ዝሓርር መስዋእትኹምን ኣብ ልዕሊ መስዋእቲ ምስጋናኹምን መለኸት ንፍሑ። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽኩም ከኣ መዘከርታ ክዀነልኩም እዩ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።
   11ኰነ ድማ ኣብ ካልአይቲ ዓመት፡ ኣብ ካልኣይቲ ወርሒ፡ ካብታ ወርሒ ኸኣ ኣብ መበል ዕስራ መዓልቲ እቲ ደበና ኻብ ልዕሊ እቲ ማሕደር ምስክር ተላዕለ። 12ሽዑ ደቂ እስራኤል ድማ ከከም ጕዕዞኦም ካብ በረኻ ሲና ነቐሉ፡ እቲ ደበና ኸኣ ኣብ በረኻ ጳራን ቈመ። 13ከምቲ እግዚኣብሄር ብኢድ ሙሴ ዝኣዘዞ ድማ፡ እቶም ቀዳሞት ነቐሉ። 14ሰንደቕ ዕላማ ሰፈር ደቂ ይሁዳ፡ ከከም ሰራዊቶም፡ ቅድም ተጓዕዘ፡ ኣብ ልዕሊ ሰራዊቱ ድማ ነኣሶን ወዲ ኣሚናዳብ ነበረ። 15ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ነገድ ደቂ ኢሳኮር ከኣ ናትናኤል ወዱ ጹዓር ነበረ። 16ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ነገድ ደቂ ዛብሎን ድማ ኤልያብ ወዲ ሔሎን ነበረ። 17ነቲ ማሕደር ከኣ ኣውረድዎ፡ ደቂ ገርሾንን ደቂ መራርን ድማ ነቲ ማሕደር ጾይሮም ተጓዕዙ። 18ሰንደቕ ዕላማ ሰፈር ደቂ ሮቤል ከኣ፡ ከከም ሰራዊቶም፡ ተጓዕዘ፡ ኣብ ልዕሊ ሰራዊቱ ድማ ኤሊጹር ወዲ ሸደውር ነበረ። 19ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ነገድ ደቂ ስምኦን ከኣ ሸሉሚኤል ወዲ ጹሪሻዳይ ነበረ። 20ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ነገድ ደቂ ጋድ ድማ ኤልያሳፍ ወዲ ድዑኤል ነበረ። 21ቃሃታውያን ድማ ኣቓሑ መቕደስ ጾይሮም ተጓዕዙ፡ ክሳዕ ዝኣትዉ ኸኣ እቲኣቶም ነቲ ማሕደር ኣቘምዎ። 22ሰንደቕ ዕላማ ሰፈር ደቂ ኤፍሬም ድማ፡ ከከም ሰራዊቶም፡ ተጓዕዘ፡ ኣብ ልዕሊ ሰራዊቱ ኸኣ ኤሊሻማዕ ወዲ ዓሚሁድ ነበረ። 23ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ነገድ ደቂ ምናሴ ድማ ገማልኤል ወዲ ጰዳህጹር ነበረ። 24ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ነገድ ደቂ ብንያም ከኣ ኣቢዳን ወዲ ጊድዖኒ ነበረ። 25ሰንደቕ ዕላማ ሰፈር ደቂ ዳን ከኣ፡ ከከም ሰራዊቶም፡ ደጀን ኲሉ ሰፈር ኰይኑ ተጓዕዘ፡ ኣብ ልዕሊ ሰራዊቱ ድማ ኣሒዔዘር ወዲ ዓሚሻዳይ ነበረ። 26ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ነገድ ደቂ ኣሴር ድማ ጳግዒኤል ወዲ ዖክራን ነበረ። 27ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ነገድ ደቂ ንፍታሌም ከኣ ኣሒራዕ ወዲ ዔናን ነበረ። 28ጕዕዞ ደቂ እስራኤል በብሰራዊቶም እዚ ነበረ፡ ተጓዕዙ ድማ።
   29ሙሴ ኸኣ ንሖባብ ወዲ ረዑኤል ሚድያናዊ፡ ሓሙ ሙሴ፡ ንሕና ናብታ እግዚኣብሄር፡ ንኣኻትኩም ክህበኩም እየ፡ ዝበለና ቦታ ንጐዓዝ ኣሎና። እግዚኣብሄር ብዛዕባ እስራኤል ጽቡቕ ተዛሪቡ እዩ እሞ፡ ጽቡቕ ክንገብረልካ ምሳና ኺድ፡ በሎ። 30ንሱ ድማ፡ ኣይከይድን፡ ንሃገረይን ናብ ትውልደይን ደኣ እኸይድ፡ በሎ። 31ንሱ ኸኣ፡ በጃኻ ኣይትሕደገና፡ ኣብ በረኻ ኣበይ ከም እንሰፍር፡ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ እሞ፡ ኣዒንቲ ኹነና። 32ይኸውን ድማ፡ ምሳና እንተ ኼድካ፡ ካብቲ እግዚኣብሄር ጽቡቕ ዝገብረልና፡ ጽቡቕ ክንገብረልካ ኢና፡ በለ።
   33ካብ ከረን እግዚኣብሄር ከኣ መገዲ ሰለስተ መዓልቲ ተጓዕዙ። ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ድማ ዝዓርፉላ ቦታ ኽደልየሎም፡ መገዲ ሰለስተ መዓልቲ ቐደሞም። 34ካብ ሰፈር ምስ ነቐሉ ድማ፡ ደበና እግዚኣብሄር ብመዓልቲ ኣብ ልዕሊኦም ነበረ።
   35ኰነ ኸኣ፡ ታቦት ምስ ተላዕለ፡ ሙሴ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ተንስእ፡ ጸላእትኻ ፋሕ ይበሉ፡ እቶም ዝጸልኡኻ ድማ ካብ ቅድሜኻ ይህደሙ፡ ይብል ነበረ። 36ምስ ዝሰፍር ከኣ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ናብቶም እልፊ ኣእላፋት እስራኤል ተመለስ፡ ይብል ነበረ።

        ዘሁልቁ   ምዕራፍ 11            

   1እቲ ህዝቢ ድማ ከም ኣጕረምረምቲ ዀነ፡ እዚ ኸኣ ኣብ እዝኒ እግዚኣብሄር ክፉእ ኰይኑ ተሰምዐ። እግዚኣብሄር ምስ ሰምዖ ድማ ኲራኡ ነደደ፡ ሓዊ እግዚኣብሄርውን ኣባታቶም ሃልሃል በለ፡ ነቶም ኣብ ወሰን ሰፈር ዝነበሩ ኸኣ በልዖም። 2እቶም ህዝቢ ድማ ናብ ሙሴ ኣእወዩ፡ ሙሴ ኸኣ ንእግዚኣብሄር ለመነ፡ እቲ ሓዊ ኸኣ ጠፍአ። 3ሓዊ እግዚኣብሄር ኣብ መንጎኦም ስለ ዝነደደ ድማ፡ እታ ቦታ እቲኣ ታብዔራህ ተባህለት።
   4ነቲ ኣብ ማእከሎም ዝነበረ ሕውስዋስ እኽብካብ ህዝቢ ታፍላ ሓዞ። ደቂ እስራኤል ድማ መሊሶም በኸዩ በሉ ኸኣ፡ እንበልዖ ስጋ መን ይህበና፡ 5እቲ ኣብ ግብጺ ብኸምኡ ዝበላዕናዮ ዓሳ፡ ዱባን ብርጭቕን ሽጕርቲ ቓንጫን ቀይሕ ሽጕርትን ጻዕዳ ሽጕርትን ዘከርና፡ 6ሕጂ ግና ገለ እኳ የልቦን፡ ብጀካ ማና እንርእዮ የብልናን እሞ፡ ነፍስና ነቐጸት።
   7እቲ ማና ኸእ ከም ፍረ ጻቕዳ ነበረ፡ ትርኢቱ ድማ ከም ትርኢት ዕንዲዳ ነበረ። 8እቶም ህዝቢ እናዞሩ ይኣርይዎ ነበሩ፡ ብመጥሓን ድማ ይጥሕንዎ ወይ ብመጉእ ይጎድእዎ፡ እብ ቍራዕ ኣብሲሎም ከኣ ቅጫ ይገብርዎ ነበሩ ጣዕሙውን ከም ብዘይቲ እተገብረ ቅጫ ይጥዕም ነበረ። 9ኣብ ልዕሊ እቲ ሰፈር ኣውሊ ብለይቲ ምስ ዝወድቕ፡ ማና ኸኣ ኣብ ልዕሊኡ ይወርድ ነበረ።
   10ሙሴ ድማ፡ እቶም ህዝቢ በብዓሌቶም ነፍሲ ወከፍ ኣብ ኣኣፍ ድንኳኑ ኽበኽዩ ሰምዐ። ኵራ እግዚኣብሄር ከኣ ኣዝዩ ነደደ፡ እዚ ድማ ኣብ ዓይኒ ሙሴ ኽፉእ ኰይኑ ተራእየ። 11ሙሴ ኸኣ ንእግዚኣብሄር በሎ፡ ስለምንታይ ንባርያኻ ኽፉእ ገበርካኒ፧ ጾር ብዘሎ እዚ ህዝቢ እዚ ኣብ ርእሰይ ዘምበርካስ፡ ስለምንታይ ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ ዘይረኸብኩ፧ 12መጕዚት ንዝጠቡ ሕጻን ከም እትጸውር፡ ክሳዕ ናብታ ነቦታቶም ዝመሓልካሎም ምድሪ ኣብ ሕቑፍኻ ጹሮም፡ እትብለንስ፡ ነዚ ዅሉ ህዝቢ እዚ ኣነዶ ጠኒሰዮ፡ ኣነዶኸ ወሊደዮ እየ፧ 13እናበኸዩ፡ እንበልዕ ስጋ ሃበና፡ ይብሉኒ ኣለዉ። ነዚ ዅሉ ህዝቢ እዚ ዝህቦ ስጋኸ፡ ካበይ ክረኽቦ እየ፧ 14እምብዛ ኸቢዱኒ እዩ እሞ፡ ንብዘሎ እዚ ህዝቢ እዚ ኣነ በይነይ ክጾሮ ኣይክእልን እየ። 15ከምዚ ትገብረኒ ኻብ ኰንካ፡ ነቲ መከራይ ከይርኢ፡ ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ እንተ ደኣ ረኺበስ፡ ብሓደ ኣፊቱ ቕተለኒ።
   16እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ በሎ፡ ካብ ዓበይቲ እስራኤል ካብቶም ኣብ ህዝቢ ዓበይትን ሓለቓታትን ከም ዝዀኑ ንስኻ እትፈልጦም፡ ሰብዓ ሰብኣይ ኣክበለይ። ናብ ድንኳን ምርኻብ ውሰዶም፡ ኣብኡ ምሳካ ደው ኣብሎም። 17ወሪደ ኣብኡ ምሳኻ ኽዛረብ እየ፡ ካብቲ ኣብ ልዕሌኻ ዘሎ መንፈስ ክወስድ እየ፡ ኣብ ልዕሊኦም ከኣ ከንብር እየ፡ ንስኻ በይንኻ ኸይትጸሮ ድማ፡ ጾር እቶም ህዝቢ ምሳኻ ኽጾሩ እዮም። 18ነዚ ህዝቢ ድማ በሎ፡ ንጽባሕ ተቐደሱ፡ ስጋ ኽትበልዑ ኢኹም። እንበልዖ ስጋ መን ክህበና እዩ፧ ኣብ ግብጺ ጽቡቕ ነበርና እናበልኩም፡ ምብካይኩም ኣብ እዝኒ እግዚኣብሄር ተሰሚዑ እዩ እሞ፡ እምበኣር እግዚኣብሄር ስጋ ኽህበኩም እዩ እሞ ክትበልዑ ኢኹም። 19ሓደ መዓልቲ ኣይኰነን ወይ ክልተ መዓልቲ ወይ ሓሙሽተ መዓልቲ ወይ ዓሰርተ መዓልቲ ወይ ዕስራ መዓልቲ ኣይኰነን እትበልዑ፡ 20ብኣፍንጫኹም ክሳዕ ዝወጽእ እሞ ክሳዕ እትመንውዎ፡ ወርሒ ምሉእ እምበር፡ እዚ ኸኣ ነቲ ኣብ ማእከልኩም ዘሎ እግዚኣብሄር ስለ ዝነዓቕኩምዎን ስለምንታይ ካብ ግብጺ ወጻእና፧ እናበልኩም ኣብ ቅድሚኡ ስለ ዝበኸኹምን እዩ። 21ሙሴ ኸኣ፡ እዚ ኣነ ኣብ ማእከሉ ዘሎኹ ህዝቢ ሹድሽተ ሚእቲ ሽሕ ኣጋራይ እዩ፡ ንስኻ ኸኣ፡ ወርሒ ምሉእ ዝበልዕዎ ስጋ ኽህበኩም እየ፡ ትብል ኣሎኻ። 22ንኣታቶም ዝኣክል ጤለበጊዕን ኣሓንዶ ኽሕረድ እዩ፧ ወይ ንኣታቶም ክኣክልሲ ዅሉ ዓሳ ባሕርዶ ኽእከብ ኰይኑ፧ በለ። 23እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ ኢድ እግዚኣብሄርዶ ሓጻር እያ፧ ሕጂ እቲ ቓለይ ዚዀነልካ እንተ ዀይኑ ወይ ዘይኰነልካ፡ ክትርኢ ኢኻ፡ በሎ።
   24ሙሴ ድማ ወጺኡ እቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ነቲ ህዝቢ ነገሮ። ካብቶም ዓበይቲ ህዝቢ ሰብዓ ሰብኣይ ኣኪቡ፡ ኣብ ዙርያ እቲ ድንኳን ደው ኣበሎም። 25እግዚብሄር ከኣ ብደበና ወሪዱ ንእኡ ተዛረቦ፡ ካብቲ ኣብ ልዕሊኡ ዘሎ መንፈስ ወሰደ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ሰብዓ ዓበይቲ ኣንበረ። ኰነ ኸኣ፡ እቲ መንፈስ ኣብ ልዕሊኦም ምስ ዓረፈ፡ ተነበዩ፡ ግናኸ ኣይደገምዎን። 26ክልተ ሰብኣይ ድማ፡ ስም እቲ ሓደ ኤልዳድ፡ ስም እቲ ኻልኣይ ከኣ ሜዳድ ዝብሃሉ፡ ኣብ ሰፈር ተሪፎም ነበሩ፡ ንሳቶም ካብቶም ጽሑፋት ነበሩ፡ ናብ ድንኳን ግና ኣይከዱን ነበሩ፡ እቲ መንፈስ ድማ ኣብ ልዕሊኦም ዓረፈ፡ ኣብ ሰፈር ከኣ ተነበዩ። 27ሽዑ ሓደ ጐበዝ ጐይዩ፡ ኤልዳድን ሜዳድን ኣብ ሰፈር ይንበዩ ኣለዉ፡ ኢሉ ንሙሴ ነገሮ። 28እያሱ ወዲ ነዌ፡ ካብ ንእሽቶኡ ኣገልጋሊ ሙሴ ዝነበረ፡ ጐይታይ ሙሴ፡ ከልክሎም፡ ኢሉ መለሰ። 29ሙሴ ግና፡ ንስኻዶ ስለይ ቀኒእካ ኢኻ፧ እግዚኣብሄር መንፈሱ ኣብ ልዕሊኦም እንተ ዘንብር፡ ኲሎም ህዝቢ እግዚኣብሄር ከኣ ነብያት እንተ ዝዀኑ መን ምሃበ፡ በሎ። 30ሙሴ ድማ፡ ንሱን እቶም ዓበይቲ እስራኤልን ናብ ሰፈር ተመልሱ።
   31ካብ እግዚኣብሄር ድማ ንፋስ ወጸ፡ ካብ ባሕሪ ኸኣ ብርኒጎታት ኣምጺኡ ኣብ ልዕሊ እቲ ሰፈር፡ መገዲ መዓልቲ ዝኣክል በዚ፡ መገዲ መዓልቲ ድማ በቲ፡ ኣብ ዙርያ እቲ ሰፈር ኣውረዶ፡ ምብራኹ ኸኣ ካብ ምድሪ ንላዕሊ ኣስታት ክልተ እመት ነበረ። 32እቲ ህዝቢ ድማ ተንስኤ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ብመልኣን ለይቲ ብመልኣን ንጽብሒታውን መዓልቲ ብመልኣ ብርኒጎታት ኣከበ። እቲ ዘውሓደ ዓሰርተ ሆሜር ኣከበ፡ ኣብ ዙርያ ዅሉ ሰፈር ከኣ ሰጥሕወን። 33እቲ ስጋ ገና ኣብ ኲርምቶም ከሎ ኸይሔኽዎ ኸኣ፡ ኲራ እግዚኣብሄር ኣብቶም ህዝቢ ነደደ፡ እግዚኣብሄር ነቶም ህዝቢ ኣዝዩ ብዝበርትዐ መቕዘፍቲ ወቕዖም። 34ነቶም ታፍላ ዝሓዞም ህዝቢ ኣብኣ ቐቢሮምዎም እዮም እሞ፡ እታ ቦታ እቲኣ ቂብሮት-ሃታኣባ ተባህለት።
   35እቶም ህዝቢ ኻብ ቂብሮት-ሃታኣባ ንሓጸሮት ተጓዕዙ፡ ኣብ ሓጸሮት ከኣ ሰፈሩ።

        ዘሁልቁ   ምዕራፍ 12            

   1ሙሴ ኢትዮጵያዊት ሰበይቲ ኣእትዩ ነበረ እሞ፡ ሚርያምን ኣሮንን ብዛዕባ እታ ዘእተዋ ኢትዮጵያዊት ሰበይቲ ኣብ ልዕሊኡ ተዛረቡ። 2እግዚኣብሄር ብሙሴ ጥራይዶ እዩ ዝዛረብ፧ ብኣናስ ኣይዛረብን ድዩ፧ ድማ በሉ። እዚ ኸኣ እግዚኣብሄር ሰምዖ። 3እቲ ሰብኣይ፡ ሙሴ ግና ኣብ ልዕሊ ገጽ ምድሪ ኻብ ዘሎ ሰብ ዓቃል ነበረ። 4ብኡብኡ እግዚኣብሄር ንሙሴን ንኣሮንን ንሚርያምን፡ ሰለስቴኹም ናብ ድንኳን ምርኻብ ወጹ፡ በሎም። ሰለስቲኦም ድማ ወጹ። 5እግዚኣብሄር ከኣ ብዓንዲ ደበና ወረደ፡ ኣብ ኣፍ ድንኳን ደው ኢሉ ድማ ንኣሮንን ንሚርያምን ጸውዖም፡ ክልቲኦም ከኣ ወጹ። 6በሎም ድማ፡ ዘረባይ ደኣ ስምዑ፡ ኣብ ማእከልኩም ነብዪ እንተሎ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ብራእይ እግለጸሉ፡ ብሕልሚ እዛረቦ። 7ባርያይ ሙሴስ ከምኡ ኣይኰነን፡ ንሱ ኣብ ብዘላ ቤተይ እሙን እዩ። 8ብግልጺ እምበር፡ ብኽዉል ዘረባ ኣይኰነን፡ ኣፍ ንኣፍ እዛረቦ፡ ንሱ ምስሊ እግዚኣብሄር ከኣ ይርኢ። ከመይከ ኣብ ባርያይ ኣብ ሙሴ ምዝራብ ዘይፈራህኩም፡ 9ኲራ እግዚኣብሄር ኣባታቶም ነደደ፡ ከደ ድማ። 10እቲ ደበና ኸኣ ናብ ልዕሊ ድንኳን ኣግለሰ፡ እንሆ ኸኣ፡ ሚርያም ለምጻም ኰነት፡ ከም በረድ ጻዕደወት። ኣሮን ድማ ናብ ሚርያም ግልጽ በለ፡ እነሆ ኸኣ ለምጻም ኰይና ነበረት። 11ሽዑ ኣሮን ንሙሴ፡ ኣየ ጐይታይ፡ ስለቲ ብዕሽነትና ዝገበርናዮን ዝበደልናዮን፡ በጃኻ፡ ሓጢኣት ኣይተጹረና። 12በጃኻ፡ ብምዉቱ ኸም እተወልደ፡ ካብ ከርሲ ኣዲኡ ኽወጽእ ከሎ ፈረቓ ስጋኡ ኸም እተወድኣ ትኹን፡ ኣይትሕደጋ፡ በሎ። 13ሙሴ ድማ ንእግዚኣብሄር፡ ዎ ኣምላኽ፡ እልምነካ ኣሎኹ ኣሕውያ፡ ኢሉ ጨርሐ። 14እግዚኣብሄር ከኣ ንሙሴ፡ ኣቦኣ ኣብ ገጻ ጡፍ እንተ ዝብለላስ፡ ሾብዓተ መዓልቲዶ ኣይምሓፈረትን፧ ኣብ ወጻኢ ሰፈር ሾብዓተ መዓልቲ ትተዓጾ፡ ደሓር ከኣ ትእቶ፡ በሎ። 15ሚርያም ድማ ኣብ ወጻኢ ሰፈር ሾብዓተ መዓልቲ ተዓጽወት። እቲ ህዝቢ ኸኣ፡ ሚርያም ክሳዕ እትምለስ፡ ኣይነቐለን። 16ድሕርቲ እቲ ህዝቢ ኻብ ሓጸሮት ተጓዕዘ፡ ኣብ በረኻ ጳራን ድማ ሰፈረ።

        ዘሁልቁ   ምዕራፍ 13            

   1እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ 2ነታ ኣነ ንደቂ እስራኤል ዝህቦም ምድሪ ኸነኣን ዝስልዩ ሰባት ስደድ፡ ከካብ ነገድ ኣቦታቶም ሓደ ሰብ፡ ኲሎም ካብቶም ሹማምቶም ይስደዱ።
   3ሙሴ ድማ ከምቲ ትእዛዝ እግዚኣብሄር ካብ በረኻ ጳራን ሰደዶም። እዞም ሰባት እዚኦም ኲሎም ሓላቑ ደቂ እስራኤል ነበሩ። 4ስሞም ከኣ እዚ እዩ፡ ካብ ነገድ ሮቤል ሻሙዓ ወዲ ዛኩር፡ 5ካብ ነገድ ስምኦን ሻፋት ወዲ ሖሪ፡ 6ካብ ነገድ ይሁዳ ካሌብ ወዲ የፋነ፡ 7ካብ ነገድ ይሳኮር ይግኣል ወዲ ዮሴፍ፡ 8ካብ ነገድ ኤፍሬም ሆሸዓ ወዲ ነዌ፡ 9ካብ ነገድ ብንያም ጳልጢ ወዲ ራፋ፡ 10ካብ ነገድ ዛብሎን ጋዲኤል ወዲ ሶዲ፡ 11ካብ ነገድ ዮሴፍ፡ ማለት ካብ ነገድ ምናሴ፡ ጋድ ወዲ ሱሲ፡ 12ካብ ነገድ ዳን ዓሚኤል ወዲ ግማሊ፡ 13ካብ ነገድ እሴር ስቱር ወዲ ሚካኤል፡ 14ካብ ነገድ ንፍታሌም ናሕቢ ወዲ ዎፍሲ፡ 15ካብ ነገድ ጋድ ግዉኤል ወዲ ማኪ። 16ስም እቶም ነታ ምድሪ ኽስልይዋ ሙሴ ዝሰደዶም ሰባት እዚ እዩ። ሙሴ ንሆሼዓ ወዲ ነዌ፡ እያሱ ኣውጽኣሉ።
   17ሙሴ፡ ምድሪ ኸነኣን ክስልዩ፡ ሰደዶም። በሎም ከኣ፡ ካብዚ ንደቡብ ኬድኩም ናብ ኣኽራን ደይቡ፡ 18እታ ሃገር ድማ ንሳ ኸመይ ከም ዝዀነት፡ እቲ ኣብኣ ዝነብር ህዝቢውን ሓያል እንተ ዀይኑ ወይ ድኹም፡ ሒደት እንተ ዀይኑ ወይ ብዙሕ፡ 19እታ ዝነብርዋ ምድሪ ድማ ኸመይ ምዃና፡ ንሳ ጽብቕቲ እንተ ዀይና ወይ ሕማቕ፡ እተን ዚነብሩለን ከተማታት ከኣ ከመይ ምዃነን፡ ሰፈር እንተ ዀይነን ወይ ዕርድታት፡ 20እታ ምድሪውን ከመይ ምዃና፡ ንሳ ረጓድ እንተ ዀይና ወይ ረቃቕ፡ ኣእዋም እንተለዋ ወይ እንተ ዘይብላ፡ ርኣዩ። ትብዑ ኸኣ ካብ ፍረ እታ ምድሪ ድማ ኣምጽኡ። እተን መዓልትታት እቲኤን ከኣ እቲ ቐዳማይ ፍረ ወይኒ ዝበስለለን ግዝያት ነበራ።
   21ንሳቶም ከኣ ደይቦም ነታ ምድሪ ኻብ በረኻ ጺን ክሳዕ እታ ኣብ መእተዊ ሃማት ዘላ ሬሖብ ሰለይዋ። 22ናብ ደቡብ ከኣ ደየቡ፡ ናብ ኬብሮንውን ኣተዉ፡ ኣብኣ ድማ ኣሒማን፡ ሼሻይን ታልማይን ደቂ ዓናቅ ነበሩ። ኬብሮን ከኣ ሾብዓተ ዓመት ቅድሚ እታ ኣብ ግብጺ ዘላ ጾዓን ተሰርሐት። 23ናብ ርባ ኤሽኮል ከኣ መጹ፡ ካብኣ ድማ ሓደ ጨንፈር ምስ ሓደ ኣስካል ወይኒ ቘሪጾም፡ ክልተ ዀይኖም ብመሰላ ጾርዎ። ካብ ሮማንን ካብ በለስን ከኣ ተማልኡ። 24እታ ቦታ እቲኣ፡ ብዛዕባ እቲ ደቂ እስራኤል ካብኣ ዝቘረጽዎ ኣስካል፡ ለሰ ኤሽኮል ተባህለት። 25ኣብ መወዳእታ ኣርብዓ መዓልቲ ድማ ካብ ምስላይ እታ ምድሪ ተመልሱ። 26ከይዶም ከኣ ኣብ በረኻ ጳራን ኣብ ቃዴስ ናብ ሙሴን ናብ ኣሮንን ናብ ብዘሎ ኣኼባ ደቂ እስራኤልን መጹ። ንኣታቶምን ንብዘሎ ኣኼባን እቲ ነገር ኣዛረብዎም፡ ፍረ እታ ምድሪውን ኣርኣይዎም። 27ከምዚ ኢሎም ድማ ኣዘንተዉሉ፡ ናብታ ዝሰደድካና ሃገር በጻሕና፡ ብሓቂ ኸኣ ንሳ ጸባን መዓርን እተውሕዝ እያ፡ ፍሬኣ ኸኣ እዚ እዩ። 28ኣብታ ሃገር ዝነብር ህዝቢ ግና ሓያል እዩ፡ እተን ከተማታት ከኣ እተዓርዳን ኣዝየን ዓበይትን እየን፡ ኣብኡ ድማ ደቂ ዓናቅ ርኤና። 29ኣብ ሃገር ደቡብ ኣማሌቅ ይነብር ኣሎ፡ ኣብ ኣኽራን ከኣ ሔታውያንን ይቡሳውያንን ኣሞራውያንን ይነብሩ ኣለዉ፡ ኣብ ጥቓ ባሕርን ብሸነኽ ዮርዳኖስን ድማ ከነኣናውያን ይነብሩ ኣለዉ።
   30ካሌብ ከኣ ነቲ ህዝቢ ኣብ ቅድሚ ሙሴ ኣህድኦ፡ ኣጸቢቕና ንኽእላ ኢና እሞ፡ ንደይብ ደኣ ነታ ምድሪ ንውረሳ፡ ድማ በለ። 31እቶም ምስኡ ደይቦም ዝነበሩ ሰባት ግና፡ ንሱ ኻባና ዝሕይል እዩ እሞ፡ ናብቲ ህዝቢ እቲ ኽንድይብ ኣይንኽእልን ኢና፡ በሉ። 32ብዛዕባ እታ ዝሰለይዋ ምድሪ ኸኣ ንደቂ እስራኤል ከምዚ ኢሎም ክፉእ ነገር ኣውረዩሎም፡ እታ ኽንስልያ ዝሓለፍናያ ምድሪ፡ ንሳ ነቶም ዝነብርዋ እትውሕጥ ምድሪ እያ፡ እቶም ኣብኣ ዝርአናዮም ኲሎም ህዝቢ ኸኣ ነዋሕቲ ሰባት እዮም። 33ኣብኣ ድማ ካብ ንጉዓት ዓሌት፡ ንጉዓት ደቂ ዓናቅ ርአና። ንሕና ኣብ ዓይንና ኸም ኣምበጣ ዀንና፡ ኣብ ኣዒንቶም ከኣ ከምኡ ነበርና።

        ዘሁልቁ   ምዕራፍ 14 

   1ብዘለዉ እቶም ኣኼባ ድማ ቃሎም ዓው ኣቢሎም ጨርሑ፡ እቲ ህዝቢ ኸኣ በታ ለይቲ እቲኣ ኽበኪ ሓደረ። 2ኲሎም ደቂ እስራኤል ድማ ኣብ ሙሴን ኣብ ኣሮንን ኣጕረምረሙ፡ ብዘሎ እቲ ኣኼባ ኸኣ በሎም፡ ኣብ ምድሪ ግብጺ ኸም ሞትና ወይ ኣብዚ በረኻ እዚ ኸም ሞትና መን ምሃበና። 3ንሕና ብሴፍ ክንወድቕ፡ ኣንስትናን ደቅናን ከኣ ክማረኹ፡ ንምንታይ እግዚኣብሄር ናብዛ ምድሪ እዚኣ ኣእተወና፧ ናብ ግብጺ እንተ ንምለስዶ ግዳ ኣይምሕሸናን፧ 4ንሓድሕዶም ከኣ፡ ሓለቓ ግዳ ንሽም እሞ ናብ ግብጺ ንመለስ፡ ተባሃሃሉ። 5ሽዑ ሙሴን ኣሮንን ኣብ ቅድሚ ብዘላ እታ ማሕበር ኣኼባ ደቂ እስራኤል ብገጾም ተደፍኡ። 6እያሱ ወዲ ነዌን ካሌብ ወዲ ዮፋነን፡ ካብቶም ሰለይቲ እታ ሃገር ዝነበሩ፡ ክዳውንቶም ቀደዱ፡ 7ንብዘሎ ኣኼባ ደቂ እስራኤል ከኣ ከምዚ ኢሎም ተዛረቡ፡ እታ ኽንስልያ ዝሓለፍናያ ምድሪ ኣዝያ፡ ኣዝያ ጽብቕቲ ምድሪ እያ። 8እግዚኣብሄር እንተ ፈትዩናስ፡ ናብታ ጸባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ፡ ናብታ ምድሪ እቲኣ ኸእትወና፡ ንሳውን ክህበና እዩ። 9ኣብ እግዚኣብሄር ግዳ ኣይትዓምጹ፡ ንሳቶም እንጌራና እዮም እሞ፡ ንስኻትኩም ንህዝቢ እታ ምድሪ ኣይትፍርህዎም። እቲ ዘጽልሎም ካባታቶም ኣግሊሱ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ምሳና እዩ፡ ኣይትፍርህዎም። 10ብዘሎ እቲ ኣኼባ ግና ብዳርባ እምኒ ክቐትሎም ተዛራረበ። ክብሪ እግዚኣብሄር ከኣ ኣብ ድንኳን ምርዃብ ንዅሎም ደቂ እስራኤል ተራእየ።
   11እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ እዚ ህዝቢ እዚ ኽሳዕ መኣዝ እዩ ዝንዕቀኒ፡ ክሳዕ መኣዝከ እዮም በቲ ዅሉ ኣብ ማእከሎም ዝገበርክዎ ትእምርትታት ዘይኣምኑኒ፧ 12ብፌራ ኽወቕዖምን ከጥፍኦምን እየ፡ ንኣኻ ግና ካባታቶም ዝዓብን ዝብርትዕን ህዝቢ ኽገብረካ እየ፡ በሎ።
   13ሙሴ ኸኣ ንእግዚብሄር በሎ፡ እቶም ግብጻውያን፡ ንስኻ እኳ ነዚ ህዝቢ ኻብ ማእከሎም ብሓይልኻ ዘደየብካዮ፡ እዚ ኽሰምዑ እዮም። 14ነዞም ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ዝነብሩ ድማ ክነግሩ እዮም፡ ንስኻ እግዚኣብሄር ኣብ ማእከል እዚ ህዝቢ እዚ ኸም ዘሎኻ፡ ንስኻ እግዚኣብሄር ገጽ ንገጽ ከም እተርኣኻ፡ ደበናኻውን ኣብ ልዕሊኦም ከም ዝቐውም፡ መዓልቲ ብዓንዲ ደበና፡ ለይቲ ኸኣ ብዓንዲ ሓዊ ቐቅድሚኦም ከም እትኸይድ ድማ ሰሚዖም ኣለዉ። 15ሕጂ ኸኣ ነዚ ህዝቢ እዚ ኸም ንሓደ ሰብ ጌርካ እንተ ቐተልካዮ፡ ሽዑ እቶም ወሬኻ ዝሰምዑ ህዝብታት፡ 16እግዚኣብሄር ነዚ ህዝቢ እዚ ናብታ ዝመሓለሎም ምድሪ ኸእትዎም ስለ ዘይከኣለ፡ ኣብ በረኻ ሓረዶም፡ ኢሎም ክዛረቡ እዮም። 17ሕጂ ኸኣ እልምነካ ኣሎኹ፡ ሓይሊ እግዚኣብሄር ይዕበ፡ ከምቲ እተዛረብካዮ ኸምዚ ኢልካ፡ 18እግዚኣብሄር ንዅራ ደንጓዪ፡ በዓል ብዙሕ ምሕረት እዩ፡ ንሱ በደልን ሓጢኣትን ይቕረ ይብል፡ ሓጢኣት ኣቦታት ኣብ ውሉድ ክሳዕ ሳልሳይን ኽሳዕ ራብዓይን ወለዶ ይቐጽዕ እምበር፡ ንበዳሊ ኸይቀጽዐ ኣይሓድጎን። 19ነዚ ህዝቢ እዚ ኸምቲ ኻብ ግብጺ ሒዝካ ኽሳዕ ናብዚ ይቕረ ዝበልካሉ፡ ሕጂ ኸኣ እልምነካ ኣሎኹ፡ ነዚ ህዝቢ እዚ ኸምቲ ዓብዪ ምሕረትካ ሓጢኣቱ ሕደገሉ። 20እግዚኣብሄር ድማ በለ፡ ከምቲ ቓልካ ይቕረ ኢለ እየ። 21ግናኸ ኣነ ብሓቂ ህያው እየ፡ ብዘላ ምድሪ ኸኣ ብኽብሪ እግዚኣብሄር ክትመልኣ እያ፡ 22ኲሎም እቶም ክብረይን ኣብ ግብጽን ኣብ በረኻን ዝገበርክዎ ተኣምራተይን ዝረኣዩ ሰባት፡ ድሮ ዓሰርተ ሳዕ ፈተኑኒ፡ ቃለይ ከኣ ኣይሰምዑን፡ 23ነታ ነቦታቶም ዝመሓልኩሎም ምድሪ ከኣ ኣይርእይዋን፡ ካብቶም ዝነዓቑኒውን ሓደ እኳ ኣይርእያን። 24ንባርያይ ካሌብ ግና፡ ካልእ መንፈስ ስለ ዝነበሮ ፈጺሙውን ስለ ዝሰዓበኒ፡ ናብታ ኣትይዋ ዝነበረ ሃገር ከእትዎ እየ፡ ዘርኡ ኸኣ ክወርሳ እዩ። 25ኣብ ለሰ ድማ ኣማሌቃውያንን ከነኣናውያንን ይነብሩ ኣለዉ እሞ፡ ጽባሕ ተመለሱ፡ ብመገዲ ባሕሪ ኤርትራ ኣቢልኩም ናብ በረኻ ተጐዓዙ።
   26እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም፡ 27ነዚ ዘጕረምርመለይ ሕሱም ኣኼባ እዚ ኽሳዕ መኣዝ ክጾሮ እየ፧ እቲ ደቂ እስራኤል ዘጕረምርሙለይ ምጕርምራም ሰሚዔ ኣሎኹ። 28በሎም ከኣ፡ ኣነ ህያው እየ፡ ከምቲ ኣብ እዝነይ እተዛረብኩምዎ፡ ከምኡ ኽገብረኩም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ 29ኣቱም ዘጉረምረምኩምለይ ኲላትኩም እተቘጸርኩም፡ ከምቲ ዅሉ ቑጽርኹም፡ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ፡ ሬሳኹም ኣብዚ በረኻ እዚ ኽወድቕ እዩ። 30ናብታ ኣብኣ ከናብረኩም ኢለ ኢደይ ዘልዓልኩላ ምድሪ፡ ብጀካ ካሌብ ወዲ የፋነን እያሱ ወዲ ነዌን፡ ንስኻትኩም ኣይትኣትዉን። 31ነቶም ምርኮ ክዀኑ እዮም ዝበልኩምዎም ደቅኹም ግና ከእትዎም እየ፡ ነታ ዝነዓቕኩምዋ ምድሪ ኽፈልጥዋ እዮም። 32ንስኻትኩም ግና፡ ሬሳኹም ኣብዚ በረኻ እዚ ኽወድቕ እዩ። 33ደቅኹም ከኣ ኣብ በረኻ ኣርብዓ ዓመት ጓሶት ክዀኑ እዮም፡ ሬሳኹም ኣብ በረኻ ኽሳዕ ዝጠፍእ ከኣ ምንዝርናኹም ክጾሩ እዮም። 34ከም ቁጽሪ እተን ነታ ሃገር ዝሰሌኹምለን መዓልታት፡ ኣርብዓ መዓልቲ፡ ሓንቲ ዓመት ሓጢኣትኩም ክትጾሩ ኢኹም፡ ካባኻትኩም ከም ዝረሓቕኩ ኸኣ፡ ክትፈልጡ ኢኹም። 35ኣነ እግዚኣብሄር እየ እተዛረብኩ፡ ነዚ ዅሉ ኣባይ ብሓደ እተሓባበረለይ ሕሱም ኣኼባ ብሓቂ ኸምኡ ኽገብሮ እየ፡ ኣብዚ በረኻ እዚ ኽውድኡ እዮም፡ ኣብኡውን ክሞቱ እዮም።
   36እቶም ምድሪ ኽስልዩ ሙሴ ዝሰደዶም ሰባት ተመሊሶም ድማ ብዛዕባ እታ ምድሪ ኽፉእ ብምውራዮም ንብዘሎ እቲ ኣኼባ ኣብ ልዕሊኡ ዘጕረምረሙሉ፡ 37እቶም ብዛዕባ እታ ምድሪ ኽፉእ ዘውረዩ ሰባት ብመቕዘፍቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሞቱ። 38ካብቶም ምድሪ ኽስልዩ ኸይዶም ዝነበሩ ሰባት ግና፡ እያሱ ወዲ ነዌን ካሌብ ወዲ የፋነን ብህይወት ተረፉ።
   39ሙሴ ድማ እዚ ቓላት እዚ ንዅሎም ደቂ እስራኤል ተዛረቦም። እቲ ህዝቢ ኸኣ ብዙሕ ሓዘነ። 40ንብጊሓቱ ድማ ኣንጊሆም ተንስኡ፡ በዲልና ኢና እሞ፡ እኔና ናብታ እግዚኣብሄር ዝበለና ቦታ ንድይብ ኣሎና፡ ኢሎምውን ናብ ርእሲ እቲ ኸረን ደየቡ። 41ሙሴ ግና በሎም፡ ሕጂ ንስኻትኩም ስለምንታይ ትእዛዝ እግዚኣብሄር እትጥሕሱ፧ ኣይቐንዓኩምን እዩ። 42እግዚኣብሄር ኣብ ማእከልኩም ኣይኰነን እሞ፡ ብጸላእትኹም ከይትስዓሩ፡ ኣይትደይቡ። 43ኣብኡ ኣማሌቃውያንን ከነአናውያንን ኣብ ቅድሜኹም ኣለዉ እሞ፡ ብሴፍ ክትወድቁ ኢኹም። ንእግዚኣብሄር ካብ ምስዓብ ስለ እተመለስኩም፡ እግዚኣብሄር ከኣ ምሳኻትኩም ኣይኸውንን እዩ። 44ንሳቶም ግና ናብ ርእሲ እቲ ኸረን ክድይቡ ደፈሩ፡ ታቦት ኪዳን እግዚብሄርን ሙሴን ግና ካብ ሰፈር ኣይለቐቑን። 45እቶም ኣብቲ ኸረን ዝነበሩ ኣማሌቃውያንን ከነኣናውያንን ድማ ወሪዶም ወቕዕዎም፡ ክሳዕ ሖርማ ኸኣ ቀጥቀጥዎም።

        ዘሁልቁ   ምዕራፍ 15 

   1እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ። 2ንደቂ እስራኤል ተዛረቦም በሎም ከኣ፡ ናብታ ኽትነብርዋ ኣነ ዝህበኩም ምድሪ ምስ ኣቶኹም፡ 3ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ሓዊ፡ ዝሓርር መስዋእቲ ወይ መስዋእቲ ሕሩድ፡ ንምፍጻም መብጽዓ ወይ መስዋእቲ ፍቓድ ወይ ናይ በዓላትኩም ብኣሓ ወይ ብጤለበጊዕ ንእግዚኣብሄር ጥዑም ጨና ኽትገብሩ እንተ ትስውኡ፡ 4ሽዑ እቲ መስዋእቱ ንእግዚኣብሄር ዘቕርብ ንመስዋእቲ ብልዒ ዓስራይ ኣፍ ኤፋ ድኹም ሓርጭ፡ ብርብዒ ሂን ዘይቲ እተቘምጥዐ፡ የቕርብ። 5ንመስዋእቲ መስተ ኸኣ ምስቲ ዝሓርር መስዋእቲ ወይ መስዋእቲ ሕሩድ ነንሓደ ገንሸል ርብዒ ሂን ወይኒ ግበር። 6ወይ ንድዑል መስዋእቲ ብልዒ ኽልተ ዓስራይ ኣፍ ኤፋ ድኹም ሓርጭ፡ ብሲሶ ሂን ዘይቲ እተቘምጥዐ፡ ግበር። 7ንመስዋእቲ መስተ ድማ ሳልሳይ ኣፍ ሂን ወይኒ ንእግዚኣብሄር ንጥዑም ጨና ኣቕርብ። 8ንዝሓርር መስዋእቲ ወይ ንመስዋእቲ ሕሩድ ድማ ንምፍጻም መብጽዓ ወይ መስዋእቲ ምስጋና ንእግዚኣብሄር ዝራብዕ እንተ ኣቕረብካ፡ 9ሽዑ ምስቲ ዝራብዕ ንመስዋእቲ ብልዒ ሰለስተ ዓስራይ ኣፍ ኤፋ ድኹም ሓርጭ፡ ብፈረቓ ሂን ዘይቲ እተቘምጥዐ፡ ኣቕርብ። 10ንመስዋእቲ መስተ ድማ፡ መስዋእቲ ሓዊ ንእግዚኣብሄር ንጥዑም ጨና ፈረቓ ሂን ወይኒ ኣቕርብ። 11ከምኡ ነንብዕራይ ወይ ነንድዑል ወይ ነንገንሸል ወይ ነንወጠጦ ይገበር። 12ከም ቁጽሪ እቶም እትስውእዎም፡ ከምኡ ነንሓዲኦም ከም ቁጽሮም ግበሩ። 13ወዲ ዓዲ ዘበለ መስዋእቲ ሓዊ ንእግዚኣብሄር ንጥዑም ጨና ምስ ዘቕርብ፡ ነዚ ነገር እዚ ኸምዚ ይግበር። 14ምሳኻትኩም ዝቕመጥ ጓና ወይ ንውሉድ ወለዶኹም ኣብ ማእከልኩም ዝነብር፡ ንእግዚኣብሄር ንጥዑም ጨና መስዋእቲ ምስ ሓዊ ምስ ዘቕርብ፡ ንሱ ኸምቲ ንስኻትኩም እትገብርዎ፡ ከምኡ ይግበር። 15ኣብታ ማሕበር ንኣኻትኩምን ነቲ ምሳኻትኩም ዝነብር ጓናን ሓደ ሕጊ ይኹን። እዚ ንውሉድ ወለዶኹም ሕጊ ዘለኣለም ይኹን፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እቲ ጓና ኸማኻትኩም ይኹን። 16ንኣኻትኩምን ነቲ ምሳኻትኩም ዝነብር ጓናን ሓደ ሕግን ሓደ ፍርድን ይኹን።
   17እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ 18ንደቂ እስራኤል ተዛረቦም በሎም ከኣ፡ ናብታ ኣነ ዘእትወኩም ምድሪ ምስ ኣቶኹም፡ 19ሽዑ ክኸውን እዩ፡ ካብ እንጌራ እታ ምድሪ ምስ እትበልዑ፡ ንእግዚኣብሄር ዝልዓል መስዋእቲ ኣቕርቡ። 20ካብ ቀዳማይ ብሑቑኩም ዝልዓል መስዋእቲ ሓደ ቕጫ ኣቕርቡ፡ ከምቲ ኻብ ዓውዲ ዝዓልዐል መስዋእቲ እትገብርዎ፡ ከምኡ ኣልዕልዎ። 21ካብቲ ቐዳማይ ብሑቑኩም ንውሉድ ወለዶኹም ዝልዓል መስዋእቲ ንእግዚኣብሄር ሃቡ።
   22-23እተን ተጋጌኹም፡ እዚ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝነገሮ ዅሉ ትእዛዛት እዚ፡ እቲ እግዚኣብሄር ብኢድ ሙሴ ዝኣዘዘኩም ኲሉ፡ ካብታ እግዚኣብሄር ትእዛዛት ዝሃበላ መዓልቲ ንንየው ከኣ ክሳዕ ውሉድ ወለዶኹም እንተ ዘይሓሎኹምዎ፡ 24እዚ ድማ፡ እቲ ኣኼባ ኸይፈለጠ፡ ብጌጋ እንተ ተገብረ፡ ሽዑ ብዘሎ እቲ ኣኼባ ንእግዚኣብሄር ንጥዑም ጨና ንዝሓርር መስዋእቲ ኸምቲ ስርዓቱ፡ ምስ ናይ ብልዒ መስዋእቱን ምስ ናይ መስተ መስዋእቱን ንመስዋእቲ ሓጢኣት ድማ ሓደ ድቤላ የቕርብ። 25ንሱ ብጌጋ እተገብረ እዩ፡ ንሳቶም ከኣ መስዋእቶም፡ መስዋእቲ ሓዊ ንእግዚኣብሄር ኣምጽኡ፡ ብዛዕባ ጌጋኦም ድማ ናይ ሓጢኣት መስዋእቶም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣቕሪቦም እዮም እሞ፡ እቲ ኻህን ከኣ ንብዘሎ ኣኼባ ደቂ እስራኤል የተዓርቕ፡ ሽዑ ይሕደገሎም እዩ። 26ኣብ ብዘሎ ህዝቢ ብዘይ ፍልጠት እተገብረ እዩ እሞ፡ ንብዘሎ ኣኼባ ደቂ እስራኤልን ኣብ ማእከሎም ንዝነብር ጓናን ይሕደገሎም እዩ።
   27ሓደ ሰብ ብጌጋ ሓጢኣት እንተ ገበረ፡ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ኣርሕዶ ዓመት የቕርብ። 28ነቲ ብጌጋ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሓጢኣት ዝገበረ ሰብ ከኣ ንምትዕራቑ እቲ ኻህን የተዓርቆ፡ ሽዑ ይሕደገሉ እዩ። 29ብዛዕባ እቲ ብጌጋ ዝግበር ነገር ንወዲ ዓዲ ኻብ ደቂ እስራኤልን ኣብ ማእከሎም ንዝነብር ጓናን ሓደ ሕጊ ይኹነልኩም። 30ወዲ ዓዲ ዀነ ወይ ጓና፡ እቲ ብልዕልቲ ኢድ ሓጢኣት ዝገብር ሰብ ግና፡ ንሱ ንእግዚብሄር ኣዋሪዱ እዩ እሞ፡ እቲ ሰብ እቲ ኻብ ማእከል ህዝቡ ይመንቈስ። 31ቃል እግዚኣብሄር ንዒቑ፡ ትእዛዙ ኸኣ ኣፍሪሱ እዩ እሞ፡ ንሱ ፈጺሙ ይመንቈስ፡ ሓጢኣቱ ኣብ ርእሱ እዩ።
   32ደቂ እስራኤል ኣብ በረኻ ኸለዉ፡ ሓደ ሰብኣይ ብመዓልቲ ሰንበት ዕጨይቲ ኽኣሪ ረኸቡ። 33እቶም ዕጨይቲ ኽኣሪ ዝረኸብዎ ኸኣ ናብ ሙሴን ናብ ኣሮንን ናብ ብዘሎ ኣኼባን ኣቕረብዎ። 34እቲ ኽገብርዎ ዝግባእ ኣይተገልጸን ነበረ እሞ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተውዎ። 35እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ እቲ ሰብኣይ እቲ ሞት ይሙት፡ ብዘሎ እቲ ኣኼባ ኣብ ወጻኢ ሰፈር ብዳርባ እምኒ ይቕተሎ፡ በሎ። 36ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ድማ፡ ብዘሎ እቲ ኣኼባ ናብ ወጻኢ ሰፈር ኣውጽኦ፡ ብዳርባ እምኒ ቐተልዎ፡ ሞተ ኸኣ።
   37እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ 38ንደቂ እስራኤል ተዛረቦም በሎም ድማ፡ ንውሉድ ወለዶኹም ኣብ ወሰን ክዳውንቶም ኣዝፋር ኪገብሩ፡ ኣብ ዘዘፈር ወሰን ከኣ ሰማያዊ ፍሕሶ ኽገብሩ ንገሮም። 39ነቲ ብእኡ ናብ ምንዝርና እትኸዱ ዘሎኹም፡ ደድሕሪ ድሌት ልብኹምን ዓይንኹምን ከይትስዕቡ፡ ንእኡ ርኢኹም ንዅሉ ትእዛዛት እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽትዝክርዎን ክትገብርዎን፡ ዘፈር መዘከሪ ይኹነልኩም። 40ንዅሉ ትእዛዛተይ ምእንቲ ኽትዝክርዎን ክትገብርዎን፡ ንኣምላኽኩም ከኣ ቅዱሳን ክትዀኑ እዩ። 41ኣምላኽኩም ምእንቲ ኽኸውን፡ ካብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻእኩኹም ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።

        ዘሁልቁ   ምዕራፍ 16 

   1ቆራሕ ወዲ ይጽሃር፡ ወዲ ቃሃት ወዲ ሌዊ፡ ዳታንን ኣቢራምን ደቂ ኤልያብ፡ ኦን ከኣ ወዲ ጴሌት፡ ደቂ ሮቤል፡ 2ሓያሎ ሰባት ካብ ደቂ እስራኤል፡ ክልተ ሚእትን ሓምሳን ሹማምቲ እቲ ኣኼባ፡ ብማሕበር እተጸውዑ ስሙያት ሰባት ሒዞም ንሙሴ ተላዕልዎ። 3ንሙሴን ንኣሮንን ክጻረሩ ተኣኪቦም ድማ፡ ብዘለዉ ኣኼባ ዅሎም ቅዱሳን እዮም፡ እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ማእከሎም እዩ እሞ፡ እምብዛ ኣብዚሕኩምዎ፡ ስለምንታይ ኣብ ልዕሊ ማሕበር እግዚኣብሄር ትዕበዩ ኣሎኹም፧ በልዎም።
   4ሙሴ እዚ ምስ ሰምዐ፡ ብገጹ ተደፍአ። 5ንቆራሕን ነቶም ኣኼባኡን ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም፡ እግዚኣብሄር ጽባሕ እቲ ናቱ ዝዀነን እቲ ቕዱስን እቲ ናብኡ ዘቕርቦን መን ከም ዝዀነ፡ ከፍልጥ እዩ። ነቲ ዝሓረዮ ኸኣ ናብኡ ከቕርቦ እዩ። 6ከምዚ ግበሩ፡ ቆራሕን ብዘሎ ኣኼባኡን ጸጽንሃህኩም ውሰዱ፡ 7ጽባሕ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሓዊ ግበሩሉ፡ ዕጣን ከኣ ኣእትዉሉ። ክኸውን ድማ እዩ፡ እቲ እግዚኣብሄር ዛሓርዮ ሰብኣይ፡ ንሱ ቅዱስ ይኹን። ኣቱም ደቂ ሌዊ፡ እምብዛ ኣብዚሕኩምዎ።
   8ሙሴ ኸኣ ንቆራሕ በሎ፡ ኣቱም ደቂ ሌዊ፡ ሕጂ ስምዑ። 9ኣብ ማሕበር እግዚኣብሄር ከተገልግሉ፡ ኣብ ቅድሚ ኣኼባ ደው ኢልኩም ከኣ ከተገልግልዎም፡ ኣምላኽ እስራኤል ናብኡ ከቕርበኩም ኢሉ፡ ካብ ኣኼባ እስራኤል ዝፈለየኩምዶ ውሒዱኩም እዩ፧ 10ንኣኻን ንዅሎም ኣሕዋትካ ደቂ ሌዊ ድማ ምሳኻን ናብኡ ኣቕሪቡኩምሲ፡ ክህነትዶ ድማ ደሊኹም፧ 11ስለዚ ንስኻን ብዘሎ ኣኼባኻን ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄር ኢኹም እተኣከብኩም። ኣሮንከ፡ ኣብ ልዕሊኡ እተጕረምርሙ፡ ንሱ እንታይ እዩ፧
   12ሙሴ ድማ ንዳታንን ኣቢራምን፡ ደቂ ኤልያብ፡ ክጽውዑሉ ለኣኸ። ንሳቶም ከኣ፡ ኣይንድይብን፡ በሉ። 13ኣብ በረኻ ኽትቀትለና ኢልካ፡ ካብታ ጸባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ ዘውጻእካናዶ ውሒዱ እዩ፧ ኣብ ልዕሌና ኽትሽየምዶ ንርእስኻ ትሸይም፧ 14ብዝተረፈስ ጸባን መዓርን ናብ እተውሕዝ ምድሪ ኣየእቶኻናን። ግርሁን ኣታኽልቲ ወይንን ከኣ ኣየረስቴኻናን። ኣዒንቲ እዞም ሰባት እዚኦምዶ ኸተንቁር ደሊኻ ኢኻ፧ ኣይንድይብን። 15ሙሴ ድማ ኣዝዩ ተናዲዱ ንእግዚኣብሄር፡ ናብ መስዋእቶም ኣይትጠምት፡ ካባታቶም ሓንቲ ኣድጊ እኳ ኣይወሰድኩን፡ ካባታቶም ንሓደ እኳ ኽፉእ ኣይገበርኩን፡ በሎ።
   16ሙሴ ድማ ንቆራሕ፡ ጽባሕ ንስኻን ብዘሎ ኣኼባን፡ ንስኻን ንሳቶምን ኣሮንን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ተረኸቡ። 17ነፍሲ ወከፍ ከኣ ጽንሃሁ ይውሰድ፡ ዕጣን ድማ ይግበረሉ፡ ነፍሲ ወከፍ ጽንሃሁ ኽልተ ሚእትን ሓምሳን ጽንሃህ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣቕርቡ፡ ንስኻን ኣሮንን ከኣ ነፍሲ ወከፍ ጽንሃሁ ይውሰድ፡ በሎ። 18ነፍሲ ወከፍ ከኣ ጽንሃሁ ወሰደ፡ ሓዊ ድማ ገበረሉ፡ ኣብ ልዕሊኡ ከኣ ዕጣን ኣእተዉሉ፡ ምስ ሙሴን ኣሮንን ከኣ ኣብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብ ደው በሉ። 19ቆራሕ ድማ ንብዘሎ ኣኼባ ኣብ ልዕሊኦም ኣብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብ ኣከቦ። ክብሪ እግዚኣብሄር ከኣ ንብዘሎ ኣኼባ ተራእየ።
   20እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን፡ 21ካብ ማእከል እዚ ኣኼባ እዚ ተፈለዩ፡ ብቕጽበት ዓይኒ ኽውድኦም እየ፡ ኢሉ ተዛረቦም። 22ሽዑ ንሳቶም፡ ኣታ ኣምላኽ፡ ኣምላኽ ነፍሳት ኲሉ ስጋ፡ ሓጢኣት ዝገበረስ ሓደ ሰብኣይ እዩ፡ ንብዘሎ ኣኼባዶ ኽትቁጥዖ ኢኻ፧ ኢሎም ብገጾም ተደፍኡ። 23እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ 24ነቲ ኣኼባ ኻብ ዙርያ እቲ ሰፈር ቆራሕን ዳታንን ኣቢራምን ኣግልሱ፡ ኢልካ ተዛረቦም።
   25ሙሴ ድማ ተንሲኡ ናብ ዳታንን ኣቢራምን ከደ፡ እቶም ዓበይቲ እስራኤል ከኣ ሰዓብዎ። 26ነቲ ኣኼባ ኸኣ፡ በጃኹም፡ ካብ ድንኳውንቲ እዞም ሕሱማት ሰባት እዚኣቶም ኣግልሱ፡ ብዅሉ ሓጢኣቶም ከይትጠፍኡ ኸኣ ናቶም ዘበለ ኣይትተንክዩ፡ ኢሊ ተዛረቦም። 27ንሳቶምውን ካብ ዙርያ እቲ ሰፈር ቆራሕን ዳታንን ኣቢራምን ኣግለሱ። ዳታንን ኣቢራምን ግና ወጺኦም፡ ምስ ኣንስቶምን ደቆምን ሕጻናቶምን ኣብ ኣፍ ድንኳውንቶም ደው በሉ። 28ሙሴ ኸኣ፡ ካብ ፍቓደይ ዘይኰነ፡ ነዚ ዅሉ ግብሪ እዚ ኽገብር እግዚኣብሄር ከም ዝለኣኸኒ፡ በዚ ኽትፈልጡ ኢኹም። 29እዞም ሰባት እዚኦም ከም ኣማውታ ዅሉ ሰብ እንተ ሞቱ፡ ወይ ንዅሉ ሰብ ዝበጽሕ ጥራይ እንተ በጽሖም፡ ሽዑ እግዚኣብሄር ኣይለኣኸንን። 30እግዚኣብሄር ሓድሽ ነገር እንተ ገበረ ግና፡ እዚኣቶም ምስ ዅሉ ዘለዎም ብህይወቶም ናብ ሲኦል ክወርዱ፡ ምድሪ ኣፋ ኸፊታ እንተ ወሓጠቶም፡ ሽዑ እዞም ሰባት እዚኦም ንእግዚኣብሄር ከም ዝነዓቕዎ ኽትፈልጡ ኢኹም፡ በለ። 31ኰነ ኸኣ፡ እዚ ዅሉ ተዛሪቡ ምስ ወድአ፡ ኣብ ትሕቲኦም ዘላ ምድሪ ተጨደት፡ 32ምድሪ ኸኣ ኣፋ ኸፈተት፡ ንኣታቶምን ነባይቶምን ንዅሎም ናይ ቆራሕ ሰብን ንዅሉ ገንዘቦምን ወሓጠቶም። 33ንሳቶም ምስ ኲሉ ዘለዎም ብህይወቶም ናብ ሲኦል ወረዱ፡ ምድሪ ኸኣ ደፈነቶም፡ ካብ ማእከል ማሕበር ድማ ጠፍኡ። 34እቶም ኣብ ዙርያኦም ዝነበሩ ብዘለዉ እስራኤል ከኣ ጭራሕምራሖም ሰሚዖም፡ ንኣና ድማ ምድሪ ኸይትውሕጠና፡ ኢሎም ሃደሙ። 35ካብ እግዚኣብሄር ከኣ ሓዊ ወጸ፡ ነቶም ዝዓጥኑ ዝነበሩ ኽልተ ሚእትን ሓምሳን ሰባት ድማ በልዖም።
   36እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ 37ንኣልኣዛር፡ ወዲ ኻህን ኣሮን፡ እቲ ጽንሃሃት ተቐዲሱ እዩ እሞ፡ ካብቲ ንዳድ ኣውጽኣዮ፡ ነቲ ሓዊ ኸኣ ናብዝን ናብትን ፋሕ ኣብሎ፡ በሎ። 38ነቲ ጽንሃሃት ናይቶም ብሓጢኣቶም ህይወቶም ዘጥፍኡ፡ እቲ መሰውኢ ብእኡ ኽልበጥ ኣርቂቖም ይቐጥቅጥዎ። ናብ ቅድሚ እግዚብሄር ኣቕሪቦምዎ እዮም እሞ፡ ተቐዲሱ እዩ። ንደቂ እስራኤል ድማ ትእምርቲ ይኹን። 39ኣልኣዛር ካህን ከኣ ነቲ እቶም ዝነደዱ ዘቕረብዎ ጽንሃሃት ኣስራዚ ወሰደ፡ ንመለበጢ መሰውኡ ክኸውን ከኣ ኣርቀቕዎ። 40ካብ ዘርኢ ኣሮን ዘይኰነ ጓና ሰብ ክዓጥን ኢሉ ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከይቐርብ፡ ከም ቆራሕን ከም ኣኼባኡን ከይኸውን፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ብኢድ ሙሴ ዝበሎ፡ ንደቂ እስራኤል መዘከርታ ይኹን።
   41ንጽብሒቱ ድማ ብዘሎ እቲ ኣኼባ ደቂ እስራኤል፡ ንስኻትኩም ንህዝቢ እግዚኣብሄር ቀተልኩምዎ፡ ኢሎም ኣብ ልዕሊ ሙሴን ኣሮንን ኣጕረምረሙ። 42ኰነ ኸኣ፡ እቲ ኣኼባ ናብ ልዕሊ ሙሴን ኣሮንን ምስ ተኣከበ፡ ናብ ድንኳን ምርኻብ ኣቢሎም ግልጽ በሉ፡ እንሆ ድማ፡ ደበና ኣጐልበቦ፡ ክብሪ እግዚኣብሄር ከኣ ተራእየ። 43ሙሴን ኣሮንን ድማ ናብ ቅድሚ ድንኳን ምርኻብ መጹ። 44-45እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ ካብ ማእከል እዚ ኣኼባ እዚ ፍልይ በሉ፡ ኣነ ብቕጽበት ዓይኒ ኸጥፍኦም እየ፡ ኢሉ ተዛረቦም። ንሳቶም ብገጾም ተደፍኡ። 46ሙሴ ኸኣ ንኣሮን፡ ካብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቁጥዓ ወጺኡ፡ መዓት ጀሚሩ እዩ እሞ፡ ጽንሃህካ ወሲድካ፡ ካብ መሰውኢ ሓዊ ግበረሉ፡ ዕጣን ከኣ ኣእትወሉ፡ ቀልጢፍካ ድማ ናብቲ ኣኼባ ኺድ እሞ ኣተዓርቆም፡ በሎ። 47ኣሮን ከኣ፡ ከምቲ ሙሴ ዝበሎ፡ ጽንሃህ ወሰደ፡ ናብ ማእከል ማሕበር ድማ ጐየየ። እንሆ ኸኣ፡ እቲ መዓት ኣብቶም ህዝቢ ጀሚሩ ነበረ፡ ዕጣን ገይሩ ድማ ነቲ ህዝቢ ጀሚሩ ነበረ፡ ዕጣን ገይሩ ድማ ነቲ ህዝቢ ኣተዓርቖ። 48ኣብ መንጎ ምውታንን ህያዋንን ደው በለ፡ እቲ መዓት ከኣ ዝግ በለ። 49ብጀካ እቶም ብሰሪ ቆራሕ ዝሞቱ፡ እቶም ብመዓት ዝሞቱ ዓሰርተው ኣርባዕተ ሽሕን ሾብዓተ ሚእትን ኰኑ። 50ኣሮን ድማ ናብ ሙሴ ናብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብ ተመልሰ፡ እቲ መዓት ከኣ ዝግ በለ።

        ዘሁልቁ   ምዕራፍ 17            

1እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ 2ንደቂ እስራኤል ተዛረቦም እሞ ኻባታቶም ከካብ ማይ ቤት ኣቦታቶም በበትሪ፡ ካብ ኲሎም ሹማምቶም ከከም ማይ ቤት ኣቦታቶም ዓሰርተው ክልተ በትሪ ውሰድ። ስም ነፍሲ ወከፍ ከኣ ኣብ በበትሩ ጽሓፍ። 3ነንሹም ማይ ቤት ኣቦታቶም ሓንቲ በትሪ ትኹን እሞ፡ ስም ኣሮን ኣብ ልዕሊ በትሪ ሌዊ ጽሓፍ። 4ናብቲ ኣነ ምሳኻትኩም ዝራኸበሉ፡ ናብ ድንኳን ምርኻብ፡ ኣብ ቅድሚ ምስክር ከኣ ኣንብረን። 5ክኸውን ድማ እዩ፡ እቲ ዝሓሬኽዎ ሰብኣይ፡ በትሩ ኽትጥጥዕ እያ። እቲ ደቂ እስራኤል ዘጕረምርሙልኩም ምጕርምራም ከኣ ኣብ ቅድመይ መወዳእታ ኽገብረሉ እየ። 6ሙሴ ኸኣ ንደቂ እስራኤል ተዛረቦም፡ ኲሎም ሹማምቶም ድማ ኣባትር በብማይ ቤት ኣቦታቶም፡ ነናይ ሹም ሓደ፡ ዓሰርተው ክልተ በትሪ ሃብዎ። በትሪ ኣሮን ከኣ ኣብ ማእከል ኣባትሮም ነበረት። 7ሙሴ ድማ ነተን ኣባትር ኣብ ድንኳን ምስክር ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣንበረን።
   8ኰነ ድማ፡ ሙሴ ንጽብሒቱ ናብ ድንኳን ምስክር ኣተወ፡ እንሆ ኸኣ፡ በትሪ ኣሮን፡ እታ ናይ ቤት ሌዊ፡ ጠጢዓ ጸንሐት፡ ቈጽሊ ኸኣ ኣውጽአት፡ ዕምባባውን ዓምበበት፡ ብሱል ካዕካዕ ድማ ፈረየት። 9ሙሴ ኸኣ ንዅለን ኣባትር ካብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ናብ ኲሎም ደቂ እስራኤል ኣውጽኤን፡ ርእዮም ድማ ነፍሲ ወከፍ በትሩ ወሰደ። 10እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ ንደቂ ዓመጻ፡ ምእንቲ ኸይሞቱ፡ ነቲ ናባይ ምጕርምራሞም መወዳእታ ኽትገብር፡ ትእምርቲ ኽትኰኖም፡ ንበትሪ ኣሮን፡ ኣብኡ ኽትሕሎ፡ ናብ ቅድሚ ምስክር ምለሳ፡ በሎ። 11ሙሴ ኸኣ እዚ ገበረ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ኸምኡ ገበረ።
   12-13ደቂ እስራኤል ድማ ንሙሴ፡ እንሆ ሞትና፡ ጠፋእና፡ ኲልና ጠፋእና። ነፍሲ ወከፍ ዝቐረበ፡ ናብ ማሕደር እግዚኣብሄር ዝቐረበ ይመውት ኣሎ። ኲልናዶ ኽንጠፍእ ኢና፧ ኢሎም ተዛረብዎ።

        ዘሁልቁ  ምዕራፍ 18            

   1እግዚኣብሄር ድማ ንኣሮን በሎ፡ ንስኻን ደቅኻን ቤት ኣቦኻ ድማ ምሳኻን ነቲ ኽፍኣት መቕደስ ጹሩ። ንስኻን ደቅኻ ኸኣ ምሳኻን ነቲ ኽፍኣት ክህነትኩም ጹሩ። 2ኣሕዋትካ ነገድ ሌዊ ነገድ ኣቦኻ ድማ፡ ምሳኻ ዀይኖም ምእንቲ ኸገልግሉኻ፡ ምሳኻ ኣቕርቦም፡ ንስኻ ግና፡ ደቅኻ ኸኣ ምሳኻ፡ ኣብ ቅድሚ ድንኳን ምስክር ኩኑ። 3ንሳቶም ድማ ሓለዋኻን ሓለዋ ዅሉ ድንኳንን ይሓልዉ፡ ንሳቶምን ንስኻትኩምን ምእንቲ ኸይትሞቱ፡ ናብ ኣቓሑ መቕደስን ናብ መሰውእን ጥራይ ኣይቕረቡ። 4ኣብ ኲሉ ኣገልግሎት ድንኳን ምሳኻ ዀይኖም ኣብ ሓለዋ ድንኳን ምርኻብ ይሓልዉ፡ ጓና ግና ኣይቕረብኩም። 5ድማ መሊሱ ዅራ ናብ ደቂ እስራኤል ምእንቲ ኸይመጽእሲ፡ ንስኻትኩም ሓለዋ መቕደስን ሓለዋ መሰውእን ሓልዉ። 6እንሆ፡ ኣነ ነሕዋትኩም ሌዋውያን ካብ ማእከል ደቂ እስራኤል ወሰድክዎም፡ ንኣኻትኩም እተዋህቡ ህያብ እዮም፡ ንሳቶም ኣብ ድንኳን ምርኻብ ከገልግሉ ንእግዚኣብሄር ተወፈዩ። 7ንስኻን ደቅኻ ኸኣ ምሳኻን ብናይ መሰውኢ ነገርን ውሽጢ መጋረጃ ዘበለን ክህነትኩም ሓልዉን ኣገልግሉን። እቲ ኣገልግሎት ክህነት ከም ህያብ ሂበኩም እየ። ጓና እንተ ቐረበ ግና፡ ይሙት።
   8እግዚኣብሄር ድማ ንኣሮን ተዛረቦ፡ እንሆ፡ ኣነ ሓለዋ እቲ ዝልዓል መስዋእተይ፡ እቲ ናይ ደቂ እስራኤል እተቐደሰ ዅሉ ነገር ክትሕሉ ሂበካ ኣሎኹ። ንኣኻ ብምቕባእ መሰል ዘለኣለም ገይረ ንደቅኻ ሂበዮ ኣሎኹ። 9ካብቲ ኻብ ሓዊ ዝተረፈ ቅዱስ ቅዱሳን እዚ ንኣኻ ይኹን፡ እቲ ዘቕርቡለይ ኲሉ መባኦም፡ ኲሉ ናይ ብልዒ መስዋእቶምን ኲሉ ናይ ሓጢኣት መስዋእቶምን ኲሉ ናይ በደል መስዋእቶምን ንሱ ንኣኻን ንደቅኻን ቅዱስ ቅዱሳን ይኹን። 10ኣብ ቅዱስ ቅዱሳን ኴንካ ብልዓዮ፡ ኲሉ ተባዕታይ ይብልዓዮ፡ ቅዱስ ይኹነልካ። 11እዚ ንኣኻ እዩ፡ እቲ ኻብ መባኦም ዝልዓል መስዋእትን እቲ ደቂ እስራኤል ዘቕርብዎ ዝውዝወዝ መስዋእትን ንኣኻ፡ ነወዳትካን ነዋልድካን ድማ ምሳኻ፡ መሰል ዘለኣለም ገይረ ሂበካ ኣሎኹ። ኣብ ቤትካ ንጹህ ዘበለ ይብልዓዮ። 12ካብ ዘይቲ ዝበለጸ ዅሉን ካብ ወይንን ካብ ስርናይን ዝበለጸ ዅሉን ንእግዚኣብሄር ዝህብዎ በዅራት ንኣኻ ሂበካ ኣሎኹ። 13ኣብ ምድሮም ዘሎ ዅሉ በዅሪ ፍረ ናብ እግዚኣብሄር ዘምጽእዎ ንኣኻ ይኹን፡ ኣብ ቤትካ ንጹህ ዘበለ ኻብኡ ይብላዕ። 14ኣብ እስራኤል እተሓርመ ዅሉ ንኣኻ ይኹን። 15ካብ ኲሉ ስጋ፡ ማሕጸን ዚኸፍት ዘበለ፡ ሰብ ኰነ ሓደው እንስሳ፡ ናብ እግዚኣብሄር ዘቕርብዎ፡ ንኣኻ ይኹን። ንበዅሪ ሰብ ግና በጃ ሃበሉ፡ ንበዅሪ ርዅስ እንስሳ ኸኣ በጃ ሃበሉ። 16ነቶም እትብጀዎም ድማ ካብ ወዲ ወርሒ ዝዀነ ከም ገምጋምካ ብሲቃል መቕደስ፡ ንሱ ኸኣ ዕስራ ጌራ፡ ብሓሙሽተ ሲቃል ብሩር ተበጀዎም። 17በዅሪ ላምን በዅሪ በጊዕን በዅሪ ጤልን ግና፡ ቅዱሳት እዮም እሞ፡ ኣይትበጀዎም፡ ደሞም ኣብ መሰውኢ ንጸጎ፡ ስብሖም ከኣ ንእግዚኣብሄር ንጥዑም ጨና፡ ንመስዋእቲ ሓዊ ኣሕርሮ። 18ስጋኦም ከኣ ንኣኻ ይኹን፡ ከም ሓኸለ እቲ ዚውዝወዝ መስዋእትን ከም የማናይ እግርን ንኣኻ ይኹን። 19ናይቲ ቅዱስ ነገር ደቂ እስራኤል ንእግዚኣብሄር ዘቕርብዎ ዅሉ ዚልዓል መስዋእቲ ንኣኻ፡ ነወዳትካን ነዋልድካን ድማ ምሳኻ፡ መሰል ዘለኣለም ገይረ ሂበካ ኣሎኹ። ንሱ ንኣኻን ንዘርእኻ ድማ ምሳኻን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንዘለኣለም ኪዳን ጨው እዩ።
   20እግዚኣብሄር ድማ ንኣሮን በሎ፡ ኣብ ምድሮም ርስቲ ኣይሃሉኻ፡ ኣብ ማእከሎም ከኣ ግደ ኣይሃሉኻ፡ ኣብ ማእከል ደቂ እስራኤል ግዴኻን ርስትኻን ኣነ እየ። 21ንደቂ ሌዊ ድማ ኣብ ክንዲ እቲ ኣገልግሎቶም፡ ኣብ ድንኳን ምርኻብ ዘገልግልዎ ኣገልግሎት፡ እንሆ፡ ኲሉ ዕሽር እስራኤል ንርስቲ ሂበዮም ኣሎኹ። 22ድሕሪ ደጊም ደቂ እስራኤል ምእንቲ ሓጢኣት ከይጾሩን ከይሞቱን፡ ናብ ድንኳን ምርኻብ ኣይቕረቡ። 23ሌዋውያን ግና ኣብቲ ዕዮ ድንኳን ምርኻብ የገልግሉ፡ እቲ በደሎም ከኣ ንሳቶም ይጹርዎ፡ እዚ ንውሉድ ወለዶኹም ሕጊ ዘለኣለም ይኹን። ኣብ ማእከል ደቂ እስራኤል ድማ ርስቲ ኣይረስተዩ። 24እቲ ደቂ እስራኤል ንእግዚኣብሄር ንዝልዓል መስዋእቲ ዝህብዎ ዕሽር ሌዋውያን ርስቲ ሂበዮም እየ እሞ፡ ስለዚ ኣብ ማእከል ደቂ እስራኤል ርስቲ ኣይሃልዎም፡ በልክዎም።
   25እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ 26ንሌዋውያን ተዛረቦም በሎም ከኣ፡ እቲ ኻባታቶም ከም ርስትኹም ገይረ ዝሃብኩኹም ዕሽር ካብ ደቂ እስራኤል ምስ እትወስዱ፡ ካብኡ ንእግዚኣብሄር ዝልዓል መስዋእቲ፡ ካብቲ ዕሽርሲ ዕሽር ኣቕርቡ። 27እዚ ዝልዓል መስዋእትኹም ድማ ከም ስርናይ ካብ ዓውዲ፡ ከም ወሓዚ ኻብ መጽመቑ ይቑጸረልኩም። 28ከምኡ ንስኻትኩም ድማ ካብቲ ኻብ ደቂ እስራኤል እትወስድዎ ዅሉ ዕሽርኩም ንእግዚኣብሄር ዝልዓል መስዋእቲ ኣቕርቡ፡ ካብኡ እቲ ናይ እግዚኣብሄር ዝልዓል መስዋእቲ ንኻህን ኣሮን ሃቡ። 29ካብቲ እተዋህበኩም ኲሉ፡ ካብቲ እተቐደሰ ኻብ ኲሉ እቲ ብሉጹ፡ እቲ ናይ እግዚኣብሄር ዝልዓል መስዋእቱ ኣቕርቡ። 30በሎም ድማ፡ እቲ ዝበለጸ ኻብኡ ምስ እተቕርቡ፡ ንሌዋውያን ከምቲ እቶት ዓውድን ከም እቶት መጽመቑን ይቑጸረሎም። 31ናይቲ ኣብ ድንኳን ምርኻብ እተገልግልዎ ማሕድሮኹም እዩ እሞ፡ ንስኻትኩምን ስድራ ቤትኩምን ኣብ ዝዀነ ቦታ ብልዕዎ። 32ካብኡ እቲ ዝበለጸ ምስ ኣልዓልኩም፡ ብዛዕባኡ ሓጢኣት ኣይትጾሩን፡ እቲ ደቂ እስራኤል ዝቐደስዎ ኸኣ ኣይተርክሱን ኣይትሞቱን ከኣ።

        ዘሁልቁ   ምዕራፍ 19            

   1እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም፡ 2እቲ እግዚኣብሄር ከምዚ ኢሉ ዝኣዘዞ ትእዛዝ ሕጊ እዚ እዩ፡ ሓንቲ ጕድለትን ኣበርን ዘይብላ፡ ኣርዑት ዘይተሰቕለላ ጣላ ላም ከምጽኡልካ፡ ንደቂ እስራኤል ንገሮም። 3እዚኣ ንኻህን ኣልኣዛር ሃብዎ፡ ንሱ ናብ ወጻኢ ሰፈር የውጽኣያ እሞ ሓደ ኣብ ቅድሚኡ ይሕረዳ። 4ካህን ኣልኣዛር ከኣ ካብቲ ደማ በጻብዑ ይውሰድ፡ ብሸነኽ ቅድሚት ድንኳን ምርኻብ ካብ ደማ ሾብዓተ ሳዕ ይንጸግ። 5ነታ ላም ከኣ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ የንድዳ፡ ቈርበታን ስጋኣን ደማን ምስናይ ፈርሳ ይንደድ። 6እቲ ኻህን ድማ ዕጨይቲ ጽሕድን ስምዕዛን ጽሩይ ቀይሕ ፈትልን ይውሰድ፡ ናብ ማእከል እቲ ኣርሒ እትነደሉ ዘላ ሓዊ ይደርብዮ። 7እቲ ኻህን ከኣ ክዳውንቱ ይሕጸብ፡ ስጋኡውን ብማይ ይተሓጸብ፡ ድሕርቲ ናብ ሰፈር ይእቶ። እቲ ኻህን ከኣ ክሳዕ ምሸት ርኹስ ይኹን። 8እቲ ዘንደዳ ድማ ክዳውንቱ ብማይ ይሕጸብ፡ ስጋኡውን ብማይ ይተሓጸብ፡ ክሳዕ ምሸት ከኣ ርኹስ ይኹን። 9ነቲ ሓመዅስቲ እታ ኣርሒ ኸኣ ንጹህ ዝዀነ ሰብ ይኣክቦ። ኣብ ወጻኢ ሰፈር ድማ ኣብ ጽሩይ ቦታ የንብሮ። እዚ መስዋእቲ ሓጢኣት እዩ እሞ፡ ንኣኼባ ደቂ እስራኤል ንዘንጽህ ማይ ክኸውን ይተሓሎ። 10እቲ ሓመዅስቲ እታ ኣርሒ ዝኣከበ ሰብ ድማ ክዳውንቱ ይሕጸብ፡ ክሳዕ ምሸትውን ርኹስ ይኹን። እዚ ንደቂ እስራኤልን ኣብ ማእከሎም ንዝነብር ጓናን ሕጊ ዘለኣለም ይኹን።
   11ንዝዀነ ዝሞተ ስጋ ሰብ ዝተንከየ፡ ሾብዓተ መዓልቲ ርኹስ ይኹን። 12ንሱ ብሳልሰይቲ መዓልቲ ይንጻህ፡ ብሳብዐይቲ መዓልቲ ኸኣ ክነጽህ እዩ። በታ ሳልሰይቲ መዓልቲ እንተ ዘይነጽሀ ግና፡ በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ኸኣ ኣይነጽህን እዩ። 13ናይ ዝሞተ ሰብ ምዉት ስጋ ዝተንከየ ዘበለ እሞ ዘይነጽሀ፡ ንማሕደር እግዚኣብሄር ኣርከሰ፡ እታ ነፍሲ እቲኣ ኻብ እስራኢል ትመንቈስ። እቲ ማይ ምንጻህ ኣብ ልዕሊኡ ስለ ዘይተነጽጎ፡ ርኹስ እዩ፡ ርኽሰቱ ገና ኣብ ልዕሊኡ ኣሎ።
   14ሰብ ኣብ ሓደ ድንኳን ምስ ዝመውት፡ እቲ ሕጊ እዚ እዩ፡ ነፍሲ ወከፍ ናብቲ ድንኳን ዝኣተወን ነፍሲ ወከፍ ኣብቲ ድንኳን ዘሎን ሾብዓተ መዓልቲ ርኹስ ይኹን። 15ኲሉ ኽፉት፡ ኣብ ልዕሊእ እተኣስረ መኽደን ዘይብሉ ኣቕሓ ርኹስ ይኹን። 16ኣብ መሮር ብሴፍ ንተቐትለ ወይ ንዝሞተ ወይ ዓጽሚ ሰብ ወይ መቓብር ዝተንከየ ዘበለ፡ ሾብዓተ መዓልቲ ርኹስ ይኹን። 17ነቲ ዝረኸሰ ድማ ካብ ሓመዅስቲ እቲ ዝሓረረ መስዋእቲ ሓጢኣት ይውሰዱ፡ ኣብ ኣቕሓ ገይሮም ድማ ኣብ ልዕሊኡ ህያው ማይ ይኽዓዉሉ። 18ሓደ ንጹህ ሰብ ድማ ስምዕዛ ይውሰድ እሞ ኣብቲ ማይ ጠሚዑ ኣብ ልዕሊ እቲ ድንኳንን ኣብ ልዕሊ እቲ ኣቓሑን ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብኡ ዝነብሩ ነፍሳትን ኣብ ልዕሊ እቲ ንዓጽሚ ወይ ነቲ እተቐትለ ወይ ንዝሞተ ወይ ንመቓብር ዝተንከየን ይንጸግ። 19እቲ ንጹህ ኣብ ልዕሊ እቲ ርኹስ በታ ሳልሰይቲ መዓልትን በታ ሳብዐይቲ መዓልትን ይንጸገሉ፡ ኣብታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ኸኣ ከንጽሆ እዩ። ክዳውንቱ ድማ ይሕጸብ፡ ብማይ ከኣ ይተሓጸብ፡ ምሸት ድማ ክነጽህ እዩ። 20ዝረኸሰ ሰብ ግና፡ ዘይነጽሀ ኸኣ፡ መቕደስ እግዚኣብሄር ኣርኪሱ እዩ እሞ፡ እታ ነፍሲ እቲኣ ኻብ ማእከል እታ ማሕበር ትመንቈስ። ማይ ምንጻህ ስለ ዘይተነጽጎውን፡ ርኹስ እዩ። 21እዚ ድማ ሕጊ ዘለኣለም ይኹነሎም። እቲ ማይ ምንጻህ ዝነጸገ ኸኣ ክዳውንቱ ይሕጸብ፡ እቲ ማይ ምንጻህ ዝተንከየ ድማ ክሳዕ ምሸት ርኹስ ይኹን። 22እቲ ርኹስ ዝተንከየ ዘበለ ኸኣ ርኹስ እዩ፡ ዝተንከየቶ ነፍሲ ድማ ክሳዕ ምሸት ርኽስቲ ትኹን።

        ዘሁልቁ  ምዕራፍ 20           

   1ብዘሎ ኣኼባ ደቂ እስራኤል ከኣ በታ ቐዳመይቲ ወርሒ ናብ በረኻ ጺን ኣተዉ፡ ኣብ ቃዴስ ድማ ጸንሑ። ሚርያም ከኣ ኣብኡ ሞተት፡ ኣብኡውን ተቐብረት።
2እቲ ኣኼባ ድማ ማይ ኣይነበሮን፡ ሽዑ ኣብ ልዕሊ ሙሴን ኣብ ልዕሊ ኣሮንን ተኣከቡ። 3እቶም ህዝቢ ኸኣ ንሙሴ፡ እቲ ኣሕዋትና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክሞቱ ኸለዉ እንተ ንመውት፡ መን ምሃበና፡ 4ንሕናን ከብትናን ድማ ኣብኡ ኽንመውት፡ ስለምንታይ ንማሕበር እግዚኣብሄር ናብዚ በረኻ እዚ ኣምጻእኩምዎ፧ 5ስለምንታይከ ናብዛ ኽፍእቲ ቦታ ኸተምጽኡና ኻብ ግብጺ ኣደየብኩምና፧ ናይ ዘርኢ ወይ ናይ በለስ ወይ ናይ ወይኒ ወይ ናይ ሮማን ቦታ ኣይኰነትን፡ ዝስተ ማይውን የብላን፡ ኢሎም ተቛየቑዎ። 6ሙሴን ኣሮንን ከኣ ካብ ቅድሚ ማሕበር ናብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብ ከዱ፡ ብገጾም ድማ ተደፍኡ። ክብሪ እግዚኣብሄር ከኣ ተራእዮም። 7እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ 8ነታ በትሪ ውሰዳ፡ ንስኻን ሓውካ ኣሮንን ከኣ ነቲ ኣኼባ ኣክብዎ፡ ኣብ ቅድሚኦም ድማ ነቲ ኸውሒ ተዛረብዎ፡ ንሱ ኸኣ ማዩ ይህብ። ንስኻውን ካብቲ ኸውሒ ማይ ተውጽኣሎም፡ ነቲ ኣኼባን ንኸብቶምን ከኣ ተስቲ። 9ሙሴ ድማ ኸምቲ ዝኣዘዞ ነታ በትሪ ኻብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ወሰዳ፡ 10ሙሴን ኣሮንን ድማ ነታ ማሕበር ኣብ ቅድሚ እቲ ኸውሒ ኣኪቦም፡ ኣቱም ዓለወኛታት፡ ሕጂ ስምዑ፡ ካብዚ ኸውሒ እዚዶ ማይ ከነውጽኣልኩም ኢና፧ በሎም። 11ሙሴ ድማ ኢዱ ኣልዒሉ ነቲ ኸውሒ ብበትሩ ኽልተ ሳዕ ወቕዖ፡ ብዙሕ ማይ ከኣ ወጸ፡ እቲ ኣኼባን ከብቶምን ሰተዩ። 12እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን፡ ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ክትቅድሱኒ ብኣይ ስለ ዘይኣመንኩም፡ ስለዚ ነዛ ማሕበር እዚኣ ናብታ ዝሃብክዎም ምድሪ ኣይተእትውዎምን ኢኹም፡ በሎም። 13እዚ ማይ መሪባ፡ እቲ ደቂ እስራኤል ምስ እግዚኣብሄር እተቛየቑሉ፡ ንሱ ኸኣ ኣባታቶም እተቐደሰሉ እዩ።
   14ሙሴ ድማ ካብ ቃዴስ ናብ ንጉስ ኤዶም፡ ሓውካ እስራኤል ከምዚ ይብል፡ እቲ ዝረኸበና ዅሉ መከራ ንስኻ ትፈልጥ ኣሎኻ፡ 15ኣቦታትና ናብ ግብጺ ኸመይ ከም ዝወረዱ፡ ኣብ ግብጺ ኸኣ ነዊሕ ዘበን ተቐመጥና፡ ግብጻውያን ድማ ንኣናን ነቦታትናን ሓሰሙና። 16ናብ እግዚኣብሄር ምስ ኣእዌና፡ ንሱ ቓልና ሰምዐ፡ መልኣኽ ሰዲዱ ድማ ካብ ግብጺ ኣውጽኣና። እንሆ ኸኣ፡ ንሕና ኣብ ወሰን ዶብካ ኣብ ዘላ ኸተማ ቃዴስ ኣሎና። 17በጃኻ፡ ብምድርካ ኣሕልፈና፡ ብግርሁን ብቦታ ወይንን ኣይንሓልፍን፡ ማይ ዔላ ኸኣ ኣይንሰትን፡ ዶብና ኽሳዕ እንሓልፍ ንየማን ወይ ንጸጋም ኣይነግልስን፡ ብጐደና ንጉስ ንኸይድ፡ ኢሉ ልኡኻት ሰደደሉ። 18ኤዶም ግና፡ ወጺኤ ብሴፍ ከይቃባበለካ፡ ብኣይ ኣይትሕለፍ፡ በሎ። 19ደቂ እስራኤል ከኣ፡ ብጐደና መገዲ ንድይብ፡ ኣነን ከብተይን ካብ ማይካ እንተ ሰቴና ድማ፡ ዋጋ እህብ። ጥራይ እንግረይ ነገር ዘየልቦ ኣሕልፈኒ፡ በልዎ። 20ንሱ ድማ፡ ኣይትሓልፍን፡ በለ። ኤዶም ድማ ምስ ብዙሕ ህዝብን ብሓያል ኢድን ክቃባበሎ ወጸ። 21በዚ ኸምዚ ኤዶም ንእስራኤል ብዶቡ ምሕላፍ ምስ ከልኦ፡ እስራኤል ካብኡ ኣግለሰ።
   22ካብ ቃዴስ ድማ ተጓዕዙ፡ ብዘሎ እቲ ኣኼባ ደቂ እስራኤል ከኣ ናብ ከረን ሆር መጸ። 23እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ኣብ ከረን ሆር፡ ኣብ ወሰን ምድሪ ኤዶም፡ ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም፡ 24ኣብ ማይ መሪባ ንትእዛዘይ ስለ ዝኣቤኹምዎ፡ ኣሮን ናብቲ ንደቂ እስራኤል ዝሃብክዎም ምድሪ ኣይኣቱን እዩ እሞ፡ ናብ ሰቡ ይተኣከብ። 25ንኣሮንን ንኣልኣዛር ወዱን ውሰድ፡ ናብ ከረን ሆር ድማ ኣደይቦም። 26ንኣሮን ከኣ ኣልባሱ ግፈፎ ንኣልኣዛር ወዱ ድማ ክደኖ። ኣሮን ከኣ ናብ ህዝቡ ይተኣከብ፡ ኣብኡውን ይሙት። 27ሙሴ ኸኣ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ገበረ፡ ብዘሎ እቲ ኣኼባ እናረአዮምውን ናብ ከረን ሆር ደየቡ። 28ሙሴ ድማ ንኣሮን ኣልባሱ ገፊፉ ንኣልኣዛር ወዱ ኸደኖ። ኣሮን ከኣ ኣብኡ ኣብ ርእሲ እቲ ኸረን ሞተ። ሙሴን ኣልኣዛርን ድማ ካብቲ ኸረን ወረዱ። 29ኲሉ እቲ ኣኼባ፡ ኣሮን ከም ዝሞተ ምስ ረኣየ፡ ብዘለዉ ቤት እስራኤል ንኣሮን ሰላሳ መዓልቲ በኸዩሉ።

        ዘሁልቁ   ምዕራፍ 21            

   1እቲ ኣብ ደቡብ ዝነብር ንጉስ ኣራድ ከነኣናዊ፡ እስራኤል ብመገዲ ኣታሪም ከም ዝመጸ ምስ ሰምዐ፡ ምስ እስራኤል ተዋግአ፡ ካባታቶም ከኣ ገለ ምርኮ ማረኸ። 2ሽዑ እስራኤል፡ እዚ ህዝቢ እዚ ኣብ ኢደይ ኣሕሊፍካ እንተ ሂብካንስ፡ ከተማታቶም ክሓርመን እየ፡ ኢሉ ንእግዚኣብሄር መብጽዓ ተመባጽዐ። 3እግዚኣብሄር ድማ ቃል እስራኤል ሰምዐ፡ ንከነኣናውያን ከኣ ኣብ ኢዶም ሃቦም፡ ንኣታቶምን ንኸተማታቶምን ድማ ሓረምዎም፡ ስም እታ ቦታ ኸኣ ሖርማ ተባህለት።
   4ካብ ከረን ሆር ንምድሪ ኤዶም ክዞሩ ንባሕሪ ኤርትራ ኣቢሎም ተጓዕዙ፡ ነፍሲ እቲ ህዝቢ ኸኣ ብመገዲ ዓቕሊ ኣጽበበት። 5እቲ ህዝቢ ድማ፡ ኣብዚ እንጌራ የልቦን፡ ማይ ድማ የልቦን፡ ነዚ ፈኲሽ እንጌራ ኸኣ ነፍስና መንያቶ እያ እሞ፡ ኣብ በረኻ ኽንመውትከ ስለምንታይ ካብ ግብጺ ኣደየብኩምና፧ ኢሎም ኣብ ኣምላኽን ኣብ ሙሴን ተዛረቡ። 6እግዚኣብሄር ከኣ ዝነዱ ኣትማን ናብ ህዝቢ ሰደደ። ነቲ ህዝቢ ድማ ነኸስዎ፡ ካብ እስራኤል ከኣ ብዙሕ ህዝቢ ሞተ። 7ሽዑ እቶም ህዝቢ ናብ ሙሴ መጺኦም፡ ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄርን ኣብ ልዕሌኻን ብምዝራብና ሓጢኣት ገበርና፡ ነዞም ኣትማን ከርሕቐልና ንእግዚኣብሄር ለምነልና፡ በሉ። ሙሴ ድማ ምእንቲ እቲ ህዝቢ ለመነ። 8እግዚኣብሄር ከኣ ንሙሴ፡ ዝነድድ ተመን ንኣኻ ግበር፡ ኣብ ባላ ድማ ስቐሎ። ክኸውን ከኣ እዩ፡ እተነኽሰ ዘበለ ናብኡ እንተ ጠመተ፡ ክሓዊ እዩ። 9ሙሴ ኸኣ ካብ ኣስራዚ ተመን ገበረ፡ ኣብ ባላውን ሰቐሎ። ኰነ ኸኣ፡ ገለ ተመን ንሰብ እንተ ነኸሰ፡ ናብቲ ተመን ኣስራዚ ምስ ዝጥምት ይሓዊ ነበረ።
   10ደቂ እስራኤል ድማ ተጓዕዙ፡ ኣብ ኦቦት ከኣ ሰፈሩ። 11ካብ ኦቦት ተጓዒዞም ድማ፡ ኣብ መንጽር ሞኣብ ብሸነኽ ምብራቕ ኣብ ዘሎ በረኻ ኣብ ዒየ-ዓባሪም ሰፈሩ። 12ኣብኡ ተጓዒዞም ከኣ፡ ኣብ ለሰ ዘሬድ ሰፈሩ፡ 13ካብኡ ተጓዒዞም ድማ፡ ኣብ ማዕዶ እቲ ኣብ በረኻ ዘሎ ኻብ ዶብ ኣሞራውያን ዝወጽእ ኣርኖን ሰፈሩ። ኣርኖን ከኣ ኣብ መንጎ ሞኣብን ኣሞራውያንን ዘሎ ዶብ ሞኣብ እዩ። 14ስለዚ ኣብ መጽሓፍ ውግእ እግዚኣብሄር ተባሂሉ እዩ፡ ዋሄብ ኣብ ሱፋ ለሴታት ኣርኖን ከኣ፡ 15ናብቲ ዓር እትነብረሉ ዘብል፡ ቁልቁለት ለሴታት ድማ፡ ናብ ዶብ ሞኣብውን ዝጽጋዕ። 16ካብኡ ድማ ናብ ቤዔር ተጓዕዙ፡ እቲ እግዚኣብሄር ብዛዕባኡ ንሙሴ፡ ነቲ ህዝቢ ኣክቦ ኣነውን ማይ ክህቦም እየ፡ ዝበሎ ዔላ ንሱ እዩ።
   17ሽዑ እስራኤል እዚ መዝሙር እዚ ዘመረ፡ ኣታ ዔላ፡ ፈልፍል፡ ንእኡ ዘምሩሉ፡ 18እቲ ሹማምቲ ዝዀዓትዎ፡ ኣውራታት ህዝቢ፡ ብዘንጊ መንግስቲ፡ በባትሮም ዘጐድጐድዎ ዔላ። ካብ በረኻ ድማ ናብ ማታና፡ 19ካብ ማታና ኸኣ ናብ ናሓሊኤል፡ ካብ ናሓሊኤል ድማ ናብ ባሞት፡ 20ካብ ባሞት ከኣ ናብቲ ኣብ መሮር ሞኣብ ዘሎ ለሰ፡ ናብቲ ናብ በረኻ ዝርኢ ርእሲ ጲስጋ ተጓዕዙ።
   21-22እስራኤል ድማ ናብ ሲሆን ንጉስ ኣሞራውያን፡ ብምድርኻ ኣሕልፈኒ፡ ናብ ግርሁን ናብ ወይንን ኣይነግልስን፡ ማይ ዔላውን ኣይንሰትን፡ ዶብካ ኽሳዕ እንሓልፍ ብጐደና ንጉስ ንኸይድ፡ ኢሉ ልኡኻት ሰደደ። 23ሲሆን ከኣ እስራኤል ብዶቡ ኽሓልፍ ኣይፈቐደን እሞ ሲሆን ኲሉ ህዝቡ ኣኪቡ ንእስራኤል ክቃባበሎም ናብ በረኻ ወጸ፡ ናብ ያሃጽ መጺኡ ኸኣ ምስ እስራኤል ተዋግአ። 24እስራኤል ግና ብስሕለት ሴፍ ወቕዖ፡ ምድሩ ኸኣ ካብ ኣርኖን ክሳዕ ያቦቅ፡ ክሳዕ ደቂ ኣሞን ወረሰ። ዶብ ደቂ ኣሞን ግና ጽኑዕ ነበረ። 25እስራኤል ድማ ንዅለን እተን ከተማታት እቲኤን ሓዘን፡ እስራኤል ከኣ ኣብ ኲለን ከተማታት ኣሞራውያን፡ ኣብ ሔስቦንን ኲለን ዓድታታን ተቐመጠ። 26ሔስቦን ከተማ ሲሆን ንጉስ ኣሞራውያን ነበረት እሞ፡ ንሱ ምስቲ ቕድም ዝነበረ ንጉስ ሞኣብ ተዋጊኡ፡ ንብዘላ ምድሩ ኽሳዕ ኣርኖን ካብ ኢዱ ወሲድዋ ነበረ። 27ስለዚ እቶም መሰልቲ ይብሉ፡ ናብ ሔስቦን ንዑ። ከተማ ሲሆን ትነደቕን ትተዓረድን። 28ካብ ሔስቦን ሓዊ ወጺኡ እዩ እሞ፡ ካብ ከተማ ሲሆን ድማ ሃልሃልታ፡ ንሱ ንዓር ናይ ሞኣብን ነቶም ጐይተት በረኽቲ ኣርኖንን በልዐ። 29ሞኣብ ወይለኻ። ኣታ ህዝቢ ከሞሽ ጠፋእካ። ኣወዳቱ ንምህዳም፡ ኣዋልዱ ኸኣ ንምርኮ፡ ንሲሆን ንጉስ ኣሞራውያን ሃቦ። 30ንሕና ወርወርናሎም፡ ሔስቦን ክሳዕ ዲቦን ጠፍአት። ክሳዕ ኖፋሕ፡ ክሳዕ ሜድባ ዝበጽሕ ኣዓኖና።
   31በዚ ኸምዚ እስራኤል ኣብ ምድሪ ኣሞራውያን ተቐመጠ። 32ሙሴ ድማ ናብ ያዕዘር ዝስልዩ ሰደደ፡ ዓድታታውን ሓዙ። ኣብኡ ንዝነበሩ ኣሞራውያን ከኣ ኣውጽእዎም። 33ተመሊሶም ድማ ብመገዲ ባሳን ደየቡ። ኦግ ንጉስ ባሳን ከኣ፡ ንሱን ኲሉ ህዝቡን ናብ ኤድረይ ክዋጋእን ክቃባበሎምን ወጸ። 34እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ ንእኡን ንዅሉ ህዝቡን ምድሩን ኣብ ኢድካ ሂበካ እየ እሞ፡ ኣይትፍርሃዮ። ከምቲ ነቲ ኣብ ሔስቦን ዝነበረ ሲሆን ንጉስ ኣሞራውያን ዝገበርካዮ፡ ከምኡ ኽትገብሮ ኢኻ፡ በሎ። 35ንሳቶም ድማ ንእኡን ንደቁን ንዅሉ ህዝቡን፡ ሓደ እኳ ኽሳዕ ዘይተርፎ፡ ወቕዕዎ። ምድሩ ድማ ወረሱ።

        ዘሁልቁ   ምዕራፍ 22 

   1ደቂ እስራኤል ድማ ተጓዕዙ፡ ናብ ስግር ዮርዳኖስ ናይ ያሪኮ ኣብ ጐልጐል ሞኣብ ከኣ ሰፈሩ።
   2ባላቅ ወዲ ጺጶር ድማ፡ እስራኤል ኣብ ኣሞራውያን ዝገበሮ ዅሉ ረኣየ። 3ሞኣብ ከኣ፡ እቲ ህዝቢ ብዙሕ ስለ ዝዀነ፡ ብእኡ ኣዝዩ ፈርሀ። ሞኣብ ብደቂ እስራኤል ተሸበረ። 4ሞኣብ ከኣ ንዓበይቲ ሚድያን፡ ብዕራይ ሳዕሪ መሮር ከም ዝበልዕ፡ ሕጂ እዚ ኣኼባ እዚ፡ ኣብ ዙርያና ንዘሎ ንዅሉ ኸምኡ ኽበልዖ እዩ፡ በሎም። በቲ ዘበን እቲ ድማ ባላቅ ወዲ ጺጶር፡ ንጉስ ሞኣብ ነበረ። 5ንሱ ኸኣ ናብታ ኣብ ጥቓ ርባ ዘላ ጴጦር ኣብ ሃገር ደቂ ህዝቡ ተቐሚጡ ዘሎ ናብ በላዓም ወዲ ቤዖር፡ ከምዚ ኢሎም ክጽውዕዎ ልኡኻት ሰደደሉ፡ እንሆ፡ ካብ ግብጺ ዝወጸ ህዝቢ። እንሆ፡ ንሱ ገጽ ምድሪ ኸዲኑ ኣሎ፡ ንሱ ኸኣ ኣብ መንጽረይ ተቐሚጡ ኣሎ። 6ንሱ ኻባይ ዝሕይል እዩ እሞ፡ ሕጂ ድማ መጺእካ ነዚ ህዝቢ እዚ ኽትረግመለይ እልምነካ ኣሎኹ። ንስኻ ዝመረቕካዮ ምሩቕ፡ ዝረገምካዮ ኸኣ ርጉም ከም ዝዀነ እፈልጥ እየ እሞ፡ ምናልባሽ ክወቕዖን ካብ ሃገር ከኣ ከውጽኦን እኽእል እየ።
   7ዓበይቲ ሞኣብን ዓበይቲ ሚድያንን ድማ ዓስቢ ጥንቁልና ኣብ ኢዶም ሒዞም ከዱ፡ ናብ በላዓም መጺኦም ከኣ ቃል ባላቅ ነገርዎ። 8ንሱ ድማ፡ ሎም ለይቲ ኣብዚ ሕደሩ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝነገረኒ ነገር ከኣ ክመልሰልኩም እየ፡ በሎም። ሹማምቲ ሞኣብ ድማ ምስ በላዓም ተቐመጡ። 9ኣምላኽ ድማ ናብ በላዓም መጺኡ፡ እዞም ምሳኻ ዘለዉ ሰባት እንታዎት እዮም፧ በለ። 10-11በላዓም ከኣ ንኣምላኽ በሎ፡ ባላቅ ወዲ ጺጶር፡ ንጉስ ሞኣብ፡ እንሆ፡ ካብ ምስሪ ዝወጸ ህዝቢ ገጽ ምድሪ ኸዲኑ ኣሎ፡ ሕጂ መጺእካ ንእኡ ርገመለይ፡ ምናልባሽ ክዋግኦን ከውጽኦን እኽእል እየ፡ ኢሉ ለኣኸለይ። 12ኣምላኽ ድማ ንበላዓም፡ ምሳታቶም ኣይትኺድ፡ ምሩቕ እዩ እሞ፡ ነቲ ህዝቢ እቲ ኣይትርገሞ፡ በሎ። 13በላዓም ከኣ ብጊሓት ተንሲኡ ንሹማምቲ ባላቅ፡ እግዚኣብሄር ምሳኻትኩም ከይከይድ ከሊኡኒ እዩ እሞ፡ ንሃገርኩም ኪዱ፡ በሎም። 14ሹማምቲ ሞኣብ ድማ ተንስኡ፡ ናብ ባላቅ መጺኦም ከኣ፡ በላዓም ምሳና ምምጻእ ኣብዩ፡ በልዎ።
   15ባላቅ ድማ መሊሱ ኻባታቶም ዝበዝሑን ዝኽብሩን ሹማምቲ ሰደደ። 16ናብ በላዓም መጺኦም ከኣ፡ ባላቅ ወዲ ጺጶር፡ በጃኻ፡ ናባይ ካብ ምምጻእ ኣይትተዓገት፡ 17ኣዝየ ከኽብረካ እየ፡ እትብለኒ ዅሉ ኸኣ ክገብር እየ እሞ፡ በጃኻ ንዓ፡ ነዚ ህዝቢ እዚ ርገመለይ፡ ይብል ኣሎ፡ በልዎ። 18በላዓም ድማ ንገላዉ ባላቅ መለሰሎም በሎም ከኣ፡ ባላቅ ብቤቱ መሊኡ እኳ ብሩርን ወርቅን እንተ ዝህበኒ፡ ብንእሽቶ ዀነ ወይ ብዓብዪ፡ ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ከፍርስ ኣይክእልን እየ። 19ሕጂ ኸኣ እግዚኣብሄር መሊሱ ዝብለኒ ኽፈልጥ ንስኻትኩም በዛ ለይቲ እዚኣ ድማ ኣብዚ ተቐመጡ። 20ኣምላኽ ድማ ብለይቲ ናብ በላዓም መጺኡ፡ እዞም ሰባት እዚኦም ክጽውዑኻ መጺኦም እንተ ዀይኖም፡ ተንሲእካ ምሳታቶም ኪድ፡ እቲ ኣነ ዝብለካ ጥራይ ደኣ ግበር፡ በሎ። 21በላዓም ከኣ ብጊሓት ተንስአ፡ ኣድጉ ጽዒኑ ድማ ምስቶም ሹማምቲ ሞኣብ ከደ።
   22ንሱ ስለ ዝኸደ ድማ ኲራ ኣምላኽ ነደደ። ንሱ ኣድጉ ተወጢሑ ኽልተ ገላዉኡ ኸኣ ምስኡ ክኸዱ ኸለዉ፡ መልኣኽ እግዚብሄር ክኽልከሎ ኣብ መገዲ ደው በለ። 23እታ ኣድጊ ድማ መልኣኽ እግዚኣብሄር፡ ምሉሕ ሴፍ ኣብ ኢዱ ሒዙ፡ ኣብ መገዲ ደዉ ኢሉ ረኣየት፡ እታ ኣድጊ ኸኣ ካብ መገዲ ኣግሊሳ ናብ ግራት ኣቢላ ኸደት። በላዓም ድማ ነታ ኣድጊ ናብ መገዲ ኽመልሳ ወቕዓ። 24መልኣኽ እግዚኣብሄር ከኣ ኣብ መንጎ ኣታኽልቲ ወይኒ፡ በዚ መንደቕ በቲ ድማ መንደቕ ኣብ ዘለዋ ዅዕትቲ መገዲ ደው በለ። 25እታ ኣድጊ ኸኣ መልኣኽ እግዚኣብሄር ርእያ፡ ናብቲ መንደቕ ተጸግዐት፡ ንእግዚኣብሄር ርእያ፡ ናብቲ መንደቕ ተጸግዐት፡ ንእግሪ በላዓም ድማ ናብቲ መንደቕ ኣራጸመቶ። ንሱ ኸኣ መመሊሱ ወቕዓ። 26እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ከም ብሓድሽ ንቕድሚት ሓሊፉ፡ ንየማን ወይ ንጸጋም እተግልስ ኣብ ዘይብላ መገዲ፡ ኣብ ጸቢብ ቦታ ደው በለ። 27እታ ኣድጊ ኸኣ መልኣኽ እግዚኣብሄር ርእያ፡ ኣብ ትሕቲ በላዓም በጥ በለት። በላዓም ድማ ኰርዩ ተናደደ፡ ነታ ኣድግ ኸኣ ብበትሪ ወቕዓ። 28ሽዑ እግዚኣብሄር ኣፍ እታ ኣድጊ ኸፈተ፡ ንሳ ድማ ንበላዓም፡ እዚ ሰለስተ ሳዕ ዝወቓዕካኒኸ እንታይ ገይረካ እየ በለቶ፧ 29በላዓም ከኣ ነታ ኣድጊ፡ ስለ ዘላገጽክለይ፡ ሴፍ ኣብ ኢደይ እንተ ዝህልወንስ፡ ሕጂ ሕጂ እኳ ምቐተልኩኺ፡ በላ። 30እታ ኣድጊ ድማ ንበላዓም፡ ኣነ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ነዊሕ ዘበንካ እተወጣሕካኒ ኣድግኻ ደይኰንኩን፧ ከምዚ ኽገብረካዶ ልማድ ነይሩኒ፧ በለቶ። ንሱ ኸኣ፡ ኣይፋልክን፡ በለ። 31ሽዑ እግዚኣብሄር ኣዒንቲ በላዓም ከፈተ እሞ መልኣኽ እግዚኣብሄር ኣብ መገዲ ደው ኢሉ፡ ምሉሕ ሴፉ ኸኣ ኣብ ኢዱ ረአየ። ፍግም ኢሉ ድማ ብገጹ ተደፍአ። 32መልኣኽ እግዚኣብሄር ከኣ፡ ስለምንታይ ኢኻ ነዛ ኣድግኻ ሰለስተ ሳዕ ዝወቓዕካያ፧ እዛ መገዲ እዚኣ ኣብ ቅድመይ ቅንዕቲ ኣይኰነትን እሞ፡ እንሆ፡ ክኽልክለካ ወጻእኩ። 33እታ ኣድጊ ኸኣ ርእያትኒ፡ ሰለስተ ሳዕ ካብ ቅድመይ ኣግለሰት፡ ካብ ቅድመይ እንተ ዘይተግልስ፡ ንእኣ ብህይወታ ሓዲገ ንኣኻ ምቐተልኩኻ ነይረ፡ በሎ። 34በላዓም ድማ ነቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር፡ ንምኽልካለይ ኣብ መገዲ ደው ከም ዝበልካ ኣይፈለጥኩን እሞ፡ በደልኩ። ሕጂ ኸኣ ዘጕህየካ እንተ ዀይኑስ፡ እምለስ፡ በሎ። 35መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ንበላዓም፡ ምስ እዞም ሰባት እዚኦም ኪድ፡ ግናኸ እቲ ኣነ ዝብለካ ጥራይ ደኣ ተዛረብ፡ በሎ። በላዓም ከኣ ምስቶም ሹማምቲ ባላቅ ከደ።
   36ባላቅ ድማ፡ በላዓም ከም ዝመጸ ምስ ሰምዐ፡ ክቃባበሎ ናብታ ኣብ ዶብ ኣርኖን ዘላ ኸተማ ሞኣብ፡ ኣብ ወሰን ዶብ ከደ። 37ባላቅ ድማ ንበላዓም፡ ንምጽዋዕካ ኣጽኒዔዶ ኣይለኣኽኩልካን፧ ስለምንታይ ደኣ ናባይ ዘይመጻእካ፧ ኣጸቢቐ ከኽብረካዶ ኣይክእልን እየ፧ በሎ። 38በላዓም ከኣ ንባልቅ፡ እንሆ፡ ናባኻ መጺአ ኣሎኹ። ሕጂ ገለ ነገር ክዛረብዶ እኽእል እየ፧ እቲ ኣምላኽ ኣብ ኣፈይ ዘንብረለይ ቃል ንሱ እየ ዝዛረብ፡ በሎ። 39በላዓም ድማ ምስ ባላቅ ከደ፡ ቅርያት-ሑጾት ከኣ መጹ። 40ባላቅ ድማ ኣብዑርን ኣባጊዕን ሓሪዱ ናብ በላዓምን ናብቶም ምስኡ ዘለዉ ሹማምትን ሰደደ። 41ኰነ ኸኣ፡ ንጽብሒቱ ባላቅ ንበላዓም ወሲዱ ናብ ባሞት-በዓል ኣደየቦ፡ ኣብኡ ዀይኑ ድማ ወሰን እቲ ህዝቢ ረኣየ።

        ዘሁልቁ   ምዕራፍ 23            

   1በላዓም ድማ ንባላቅ፡ ኣብዚ ሾብዓተ መሰውኢ ንደቐለይ እሞ ሾብዓተ ዝራብዕን ሾብዓተ ድዑልን ኣዳልወለይ፡ በሎ። 2ባላቅ ከኣ ከምቲ በላዓም ዝበሎ ገበረ፡ ባላቅን በላዓምን ኣብ መመሰውኢ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ድዑልን ሰውኡ። 3በላዓም ድማ ንባላቅ፡ ኣብ ጥቓ እዚ ዝሓርር መስዋእትኻ ደው በል፡ ኣነ፡ ምናልባሽ እግዚኣብሄር ክራኸበኒ እንተ ወጸ፡ ክኸይድ እየ፡ እቲ ንሱ ዘርእየኒ ነገር ከኣ ክነግረካ እየ፡ በሎ። ናብ ሓደ መላጥ በሪኽ ድማ ከደ። 4ኣምላኽ ከኣ ንበላዓም ተጓነፎ፡ ንሱ ድማ፡ ሾብዓተ መሰውኢ ኣዳሎኹ፡ ኣብ መመሰውኢ ኸኣ ዝራብዕን ድዑልን ሰዋእኩ፡ በሎ። 5እግዚኣብሄር ድማ ቃል ኣብ ኣፍ በላዓም ኣንበረ፡ ናብ ባላቅ ተመሊስካ ኸምዚ ኢልካ ተዛረቦ፡ ከኣ በሎ። 6ናብኡ ድማ ተመልሰ። እንሆ ኸኣ፡ ንሱ ምስ ኲሎም ሹማምቲ ሞኣብ ኣብ ጥቓ እቲ ዝሓርር መስዋእቱ ደው ኢሉ ነበረ።
   7ምስላኡ ኣልዒሉ ድማ በለ፡ ባላቅ ካብ ኣራም፡ ንጉስ ሞኣብ ኣብ ኣኽራን ምብራቕ ኣምጽኣኒ፡ መጺእካ ንያእቆብ ርገመለይ፡ ንዓ ንእስራኤል ጸይፎ። 8ኣምላኽ ንዘይረገሞ ኸመይ ኢለ ኽረግም፧ እግዚኣብሄር ንዘይጸየፎኸ ኸመይ ገይረ ኽጽይፍ፧ 9ካብ ርእሲ ኣኻውሕ ደኣ እርእዮ፡ ካብ ኲርባታት ከኣ እጥምቶ ኣሎኹ። እንሆ፡ ንበይኑ ዝቕመጥ ህዝቢ፡ ምስ ህዝብታትውን ኣይቁጸርን። 10ነቲ ሓመድ ያእቆብ መን ክቘጽሮ ይኽእል፧ ወይ ንርብዒ እስራኤል መን ይጽብጽቦ፧ ነፍሰይ ሞት ጻድቃን ትሙት፡ መወዳእታይ ከኣ ከም ናቱ ይኹን።
   11ባላቅ ድማ ንበላዓም፡ እንታይ እዩ ዝገበርካኒ፡ ንጸላእተይ ክትረግሞም ኣምጻእኩኻ፡ እንሆ ኸኣ፡ ፈጺምካ መረቕካዮም፡ በሎ። 12ንሱ ድማ፡ እቲ እግዚኣብሄር ኣብ ኣፈይ ዘንበሮ ተጠንቂቐ ኽዛረብዶ ኣይግብኣንን እዩ፧ ኢሉ መለሰ።
   13ባላቅ ድማ፡ በጃኻ፡ ኣብኣ ዄንካ ኽትርእዮምሲ፡ ናብ ካልእ ቦታ ምሳይ ኪድ። ናይ ሓደ ወገን ወሰኖም ትርኢ ኣሎኻ እምበር፡ ንብዘለዉ ኣይትርእዮምን ኢኻ ዘሎኻ፡ ኣብኡ ዄንካ ንኣታቶም ርገመለይ፡ በሎ። 14ናብ መሮር ጾፊም ናብ ርእሲ ጲስጋ ድማ ወሰዶ፡ ሾብዓተ መሰውኢ ኸኣ ነደቐ፡ ኣብ መመሰውኢ ድማ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ድዑልን ሰውአ። 15ንባላቅ ከኣ፡ ኣብዚ ኣብ ጥቓ ዝሓርር መስዋእትኻ ደው በል ኣነ ኣብኡ ኽራኸቦ ክኸይድ እየ፡ በሎ። 16እግዚኣብሄር ድማ ንበላዓም ተራኸቦ፡ ቃል ከኣ ኣብ ኣፉ ኣንበረ፡ ናብ ባላቅ ተመሊስካ ድማ ከምዚ ኢልካ ተዛረቦ፡ በለ። 17ናብኡ ኸኣ መጸ፡ እንሆ ድማ፡ ኣብ ጥቓ እቲ ዝሓርር መስዋእቱ ደው ኢሉ፡ ሹማምቲ ሞኣብውን ምስኡ ነበሩ። ባላቅ ድማ፡ እግዚኣብሄር እንታይ ተዛሪቡካ፡ በሎ።
   18ሽዑ ምስላኡ ኣልዒሉ በለ፡ ባላቅ፡ ተንስእ፡ ስማዕ ድማ፡ ኣታ ወዲ ጺጶር፡ ናባይ ጽን በል። 19ኣምላኽ ከይሕሱ፡ ሰብ ኣይኰነን። ከይጠዓስ ከኣ፡ ወዲ ሰብ ኣይኰነን። ንሱ ዝበሎስ ኣይገብሮንዶ፧ እተዛረቦስ ኣይፍጽሞንዶ፧ 20እንሆ፡ ክምርቕ ተኣዚዘ እየ። ንሱ ድማ ባሪኹ እዩ፡ ኣነ ኸኣ ክመልሶ ኣይከኣለንን። 21ኣብ ያእቆብ ክፍኣት ኣይጠመተን፡ ኣብ እስራኤል ከኣ ሕሰም ኣይረኣየን። እግዚኣብሄር ኣምላኹ ምስኡ እዩ፡ እልልታ ንንጉስ ድማ ኣብ ማእከሉ ኣሎ። 22ኣምላኽ ካብ ግብጺ ኣውጽኦም፡ ሓይሊ ኸም ናይ ርኤም ዝበለ ኣለዎ። 23ኣብ ያእቆብ ኣስማት፡ ኣብ እስራኤል ከኣ ጥንቁልና የልቦን። ብዛዕባ ያእቆብን እስራኤልን ብግዜኡ፡ ኣምላኽ ከመይ ዝበለ ግብሪ ገበረ፡ ክብሃል እዩ። 24እንሆ፡ ህዝቢ ኸም ዋዕሮ ይትንስእ፡ ከም ኣንበሳ ይልዓል። ዝዘረፎ ኽሳዕ ዝበልዕ፡ ደም እቶም ቅቱላት ከኣ ክሳዕ ዚሰቲ በጥ ኣይብልን።
   25ሽዑ ባላቅ ንበላዓም፡ ምርጋም ኣይትርገሞ፡ ምምራቕ ከኣ ኣይትምርቆ፡ በሎ። 26በላዓም ግና ንባላቅ፡ እግዚኣብሄር ዝብለኒ ዅሉ እየ ዝገብር፡ ኢለዶ ኣይተዛረብኩኻን፧ ኢሉ መለሰሉ።
   27ባላቅ ድማ ንበላዓም፡ ናብ ካልእ ቦታ ኽወስደካ፡ ምናልባሽ ኣምላኽ እንተ ሰመሮ፡ ኣብኣ ዄንካ ኽትረግመለይ፡ በጃኻ ንዓ፡ በሎ። 28ባላቅ ከኣ ንበላዓም፡ ንበረኻ ኣቢሉ ናብ ዘርኢ፡ ናብ ርእሲ ጴዖር ወሰዶ። 29በላዓም ድማ ንባላቅ፡ ኣብዚ ሾብዓተ መሰውኢ ንደቐለይ፡ ሾብዓተ ዝራብዕን ሾብዓተ ድዑልን ከኣ ኣብዚ ኣዳልወለይ፡ በሎ። 30ባላቅ ድማ ከምቲ በላዓም ዝበሎ ገበረ፡ ኣብ መመሰውኢ ኸኣ ሓደ ዝራብዕን ሓደ ድዑልን ሰውአ።

        ዘሁልቁ   ምዕራፍ 24            

   1በላዓም ድማ ንእስራኤል ክምርቖ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ጽቡቕ ከም ዝዀነ ምስ ረኣየ፡ ገጹ ንበረኻ ኣቢሉ መለሰ እምበር፡ ከምተን ቀዳሞት ግዝያት ብኣስማት ክቃባበል ኣይከደን። 2በላዓም ከኣ ዓይኑ ኣልዓለ ንእስራኤል ድማ በብነገዶም ሰፊሮም ረኣዮም፡ መንፈስ ኣምላኽ ድማ ናብ ልዕሊኡ መጸ።
   3ምስላኡ ኣልዒሉ ኸኣ በለ፡ በላዓም ወዲ ቤዖር፡ ከምዚ ይብል፡ እቲ ኽፉት ኣዒንቲ ዘለዎ ሰብኣይ ድማ ከምዚ ይብል። 4እቲ ቓል ኣምላኽ ዝሰምዕ፡ ናይቲ ዅሉ ዝኽእል ራእይ ዘርኢ፡ እቲ ዝወድቕ፡ ኣዒንቱ ከኣ ዝኽፈታሉ፡ ከምዚ ይብል፡ 5ኣታ ያእቆብ፡ ድንኳናትካ፡ ኣታ እስራኤል ድማ፡ ማሕደርካ ኽንደይ ይጽብቕ። 6ከም ለሴታት፡ ኣብ ገምገም ርባ ኸም ዘሎ ኣታኽልቲ፡ እግዚኣብሄር ከም ዝተኸሎ ዕሬታት፡ ኣብ ወሰን ማይ ከም ዘሎ ጽሕድታት ይዝርግሑ። 7ካብ ዕትሮኡ ማይ ይጅርበብ፡ ዘርኡ ድማ ኣብ ብዙሕ ማያት ይኸውን፡ ንጉሱ ኻብ ኣጋግ ክብ ይብል፡ መንግስቱ ኸኣ ክትልዓል እያ። 8ኣምላኽ ካብ ግብጺ ኣውጽኦ፡ ሓይሊ ኸም ናይ ርኤም ዝበለ ኣለዎ፡ ነቶም ዝጻረርዎ ህዝብታት ክበልዖም እዩ፡ ኣዕጽምቶም ከኣ ክሰባብር እዩ፡ ብመንትጉውን ክወግኦም እዩ። 9ንሱ ኸም ኣንበሳ በጥ ኢሉ፡ ከም ዋዕሮ ድማ ደቂሱ ኣሎ፡ መን የተንስኦ ዝምርቐካ ምሩቕ፡ ዝረግመካ ኸኣ ርጉም ይኹን።
   10ሽዑ ዅራ ባላቅ ኣብ በላዓም ነደደ፡ ኣእዳዉ ድማ ኣጣቕዐ፡ ባላቅ ከኣ ንበላዓም፡ ኣነ ንጸላእተይ ክትረግሞም ጸዋዕኩኻ፡ እንሆ ኸኣ፡ ሕጂ ሰለስተ ሳዕ ኣጸቢቕካ መረቕካዮም። 11ሕጂ ድማ ናብ ቦታኻ ህደም። ኣነ ኣዝየ ከኽብረካ ኢለ ነይረ፡ እግዚኣብሄር ግና እንሆ፡ ከይትኸብር ከልኣካ፡ በሎ። 12-13በላዓም ከኣ ንባላቅ በሎ፡ ነቶም ናባይ ዝሰደድካዮም ልኡኻትካ፡ ባላቅ ቤቱ ብሩርን ወርቅን መሊኡ እንተ ዝህበኒ እኳ፡ ቃል እግዚኣብሄር ኣፍሪሰ፡ ጽቡቕ ኰነ ወይስ ክፉእ፡ ከም ልበይ ክገብር ኣይክእልን፡ እግዚኣብሄር ዝብለኒ ንሱ እየ ዝዛረብ፡ ኢለዶ ኣይተዛረብክዎምን፡ 14ሕጂ ኸኣ እንሆ፡ ናብ ህዝበይ እከይድ ኣሎኹ። ንዓ፡ እዚ ህዝቢ እዚ ዳሕሮት መዓልትታት ንህዝብኻ ዝገብሮ ኽነግረካ።
   15ምስላኡ ኣልዒሉ ድማ በለ፡ በላዓም ወዲ ቤዖር ከምዚ ይብል፡ እቲ ክፉት ኣዒንቲ ዘለዎ ሰብኣይ ከምዚ ይብል፡ 16እቲ ቓል ኣምላኽ ዝሰምዕ፡ ፍልጠት እቲ ልዑል ድማ ዝፈልጥ፡ ናይቲ ዅሉ ዝኽእል ራእይ ዝርኢ፡ እቲ ዝወድቕ፡ ኣዒንቱ ኸኣ ዝኽፈታሉ፡ ከምዚ ይብል፡ 17እርእዮ ኣሎኹ፡ ሕጂ ደኣ ኣይኰነን፡ እጥምቶ ኣሎኹ፡ ግናኸ ቀረባ ኣይኰነን፡ ካብ ያእቆብ ኰዀብ ይወጽእ፡ ካብ እስራኤል ከኣ በትሪ መንግስቲ ትትንስእ፡ ንሳ ንመሳፍንቲ ሞኣብ ትወቕዖም፡ ንዅሎም ደቂ መዕገርገርቲ ትጭፍልቖም። 18ኤዶም ርስቲ ክኸውን እዩ፡ ሰዒር ናይ ጸላእቱ ድማ ርስቲ ኽትከውን እያ፡ እስራኤል ከኣ ሓይሊ ኽገብር እዩ። 19ካብ ያእቆብ ገዛኢ ኽወጽእ እዩ፡ ነቲ ትርፊ ኸኣ ኻብታ ኸተማ ኽወድኦ እዩ።
   20ንኣማሌቅ ርእዩ ድማ ምስላኡ ኣልዒሉ በለ፡ ኣማሌቅ ካብ ህዝብታት ቀዳማይ እዩ፡ ዳሕራዩ ግና ንጥፍኣት እዩ። 21ናብ ቄናውያን ርእዩ ኸኣ ምስላኡ ኣልዒሉ በለ፡ እትነብረሉ ጽኑዕ እዩ፡ ቤትካ ኸኣ ኣብ ከውሒ ተነቢሩ ኣሎ። 22እዚ ኽነሱ፡ ኣሶር ክሳዕ ዝማርኸካ፡ ቃይን ከዖኑ እዩ። 23ምስላኡ ኣልዒሉ ድማ በለ፡ ወይለይ፡ እግዚኣብሄር ነዚ ምስ ዝገብርሲ፡ መን ኮን ብህይወት ይነብር፧ 24ካብ ወሰን ክቲም መራኽብ ክመጻ እየን፡ ንሳተን ንኣሶር ከጨንቓ፡ ንዔብርውን ከጨንቓ እየን። ንሱ ኸኣ ክጠፍእ እዩ።
   25በላዓም ድማ ተንሲኡ ኽደ፡ ናብ ቦታኡ ኸኣ ተመልሰ። ባላቅውን መገዱ ኸደ።

        ዘሁልቁ   ምዕራፍ 25            

   1እስራኤል ድማ ኣብ ሽጢም ተቐመጠ። እቲ ህዝቢ ኸኣ ምስ ኣዋልድ ሞኣብ ክምንዝር ጀመረ። 2ንሳተን ነቲ ህዝቢ ናብ መስዋእቲ ኣማልኽተን ጸውዓኦ። እቲ ህዝቢ ኸኣ በልዐ፡ ንኣማልኽተን ድማ ሰገደ። 3እስራኤል ከኣ ምስ በዓል-ጴዖር ሓበረ። ኲራ እግዚኣብሄር ድማ ኣብ እስራኤል ንደደ። 4እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ እቲ ነዳዲ ዅራ እግዚኣብሄር ካብ እስራኤል ምእንቲ ኽምለስሲ፡ ንዅሎም ሓላቑ ህዝቢ ወሲድካ ንእግዚኣብሄር ኣብ ቅድሚ ጸሓይ ስቐሎም፡ በሎ። 5ሙሴ ድማ ንፈራዶ እስራኤል፡ ነፍሲ ወከፍኩም ነቶም ምስ በዓል-ጴዖር ዝሓበሩ ሰቡ ይቕተል፡ በሎም።
   6እንሆ ኸኣ፡ ካብ ደቂ እስራኤል ሓደ ሰብኣይ ኣብ ቅድሚ ሙሴን ኣብ ቅድሚ ዅሉ ኣኼባ ደቂ እስራኤልን፡ ንሳቶም ኣብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብ ደው ኢሎም ክበኽዩ ኸለዉ፡ ሓንቲ ሚድያናዊት ሰበይቲ ናብ ኣሕዋቱ ኣምጽኣ። 7ፊንሃስ ወዲ ኣልኣዛር፡ ወዲ ኻህን ኣሮን፡ ምስ ረኣዮ፡ ካብ ማእከል እቲ ኣኼባ ተንስአ፡ ኲናትውን ኣብ ኢዱ ወሰደ፡ 8ደድሕሪ እቲ እስራኤላዊ ሰብኣይ ናብታ ዝደቀሱላ ኣተወ፡ ነቲ እስራኤላዊ ሰብኣይን ነታ ሰበይትን ከኣ ረቃቒቶኣ ንኽልቲኦም ወግኦም። እቲ መዓት ድማ ካብ ደቂ እስራኤል ዛረየ። 9እቶም በቲ መዓት ዝሞቱ ኸኣ ዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ ኰኑ።
   10እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ 11ፊንሃስ ወዲ ኣልኣዛር፡ ወዲ ኻህን ኣሮን፡ ኣብ መንጎኦም ብምቕናአይ ስለ ዝቐንአ፡ ንዅራይ ካብ ደቂ እስራኤል መለሶ እሞ፡ ንደቂ እስራኤል ብቕንኣተይ ኣየጥፋእክዎምን። 12ስለዚ በል፡ እንሆ፡ ንእኡ ናይ ሰላም ኪዳነይ እህቦ ኣሎኹ። 13ንኣምላኹ ቐኒኡ፡ ንደቂ እስራኤል ከኣ ኣተዓሪቑ እዩ እሞ፡ ስለዚ ንእኡ፡ ብድሕሪኡ ድማ ንዘርኡ ኪዳን ክህነት ዘለኣለም ይኹን።
   14ስም እቲ እተቐትለ እስራኤላዊ ሰብኣይ፡ ምስታ ሚድያናዊት ሰበይቲ እተቐትለ፡ ዝምሪ ወዲ ሳሉ፡ ንሱ ኻብ ደቂ ስምኦን፡ ሹም ሓደ ማይ ቤት ኣቦ ነበረ። 15ስም እታ እተቐትለት ሚድያናዊት ሰበይቲ ከኣ ኩዝቢ ጓል ጹር፡ ንሱ ኣብ ሚድያን ናይ ሓደ ማይ ቤት ኣቦ ሓለቓ ህዝቢ ነበረ።
   16እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ከምዝ ኢሉ ተዛረቦ፡ 17-18በቲ ብናይ ጴዖር ነገር ዝጠበሩኹም ምጥባሮም፡ ድማ ብነገር ኩዝቢ ሓብቶም፡ ጓል ሹም ሚድያን፡ በታ ብዛዕባ ጴዖር መዓት ዝወረደላ መዓልቲ እተቐትለት፡ ኣጨኒቖምኹም ነይሮም እዮም እሞ፡ ንሚድያናውያን ኣጨንቕዎምን ውቕዕዎምን።

        ዘሁልቁ   ምዕራፍ 26 

   1-2ኰነ ድማ፡ ድሕሪ እዛ መዓት እዚኣ እግዚኣብሄር ንሙሴን ንኣልኣዛር ወዲ ኻህን ኣሮንን፡ ንብዘሎ ኣኼባ ደቂ እስራኤል፡ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ፡ ኣብ እስራኤል ናብ ውግእ ክወጽእ ዝኽእል ዘበለ በብማይ ቤት ኣቦታቶም ቁጸሩ፡ ኢሉ ተዛረቦም። 3ሙሴን ካህን ኣልኣዛርን ከኣ ኣብ ጐላጉል ሞኣብ፡ ኣብ ዮርዳኖስ ናይ ያሪኮ ኸምዚ ኢሎም ተዛረብዎም፡ 4ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴን ነቶም ካብ ምድሪ ግብጺ ዝወጹ ደቂ እስራኤልን ዝኣዘዞም፡ ነቶም ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ዘለዉ ቑጸሮም።
   5ሮቤል በዅሪ እስራኤል እዩ። ደቂ ሮቤል፡ ካብ ሓኖክ ዓሌት ሓኖካውያን፡ ካብ ፋሉ ዓሌት ፋላውያን። 6ካብ ሔስሮን ዓሌት ሔስሮናውያን፡ ካብ ካርሚ ዓሌት ካርማውያን። 7ዓሌታት ሮቤላውያን እዚኣቶም እዮም፡ ቁጹራቶም ድማ ኣርብዓን ሰለስተን ሽሕን ሾብዓተ ሚእትን ሰላሳን ኰኑ። 8ደቂ ፋሉ ኸኣ፡ ኤልያብ። 9ደቂ ኤልያብ ድማ፡ ነሙኤልን ዳታንን ኣቢራምን። እቲ ምስ ኣኼባ ቆራሕ ኰይኖም ንእግዚኣብሄር ክትንስእዎ ኸለዉ፡ ኣብ ልዕሊ ሙሴን ኣብ ልዕሊ ኣሮንን ዝተንስኡ፡ ኣብቲ ኣኼባ ስሙያት ዝነበሩ ዳታንን ኣቢራምን እዚኣቶም እዮም። 10ነዚኣቶም፡ በታ ነቶም ክልተ ሚእትን ሓምሳን ሰብ ሓዊ ዝበልዓላ፡ እቲ ህዝቢ ድማ ዝሞተላ፡ ንሳቶም ከኣ ንምልክት ዝዀኑላ ግዜ ምድሪ ኣፋ ኸፊታ ምስ ቆራሕ ወሓጠቶም። 11ደቂ ቆራሕ ግና ኣይሞቱን።
   12ደቂ ስምኦን በብዓሌቶም፡ ካብ ነሙኤል ዓሌት ነሙኤላውያን፡ ካብ ያሚን ዓሌት ያሚናውያን፡ ካብ ያኪን ዓሌት ያኪናውያን፡ 13ካብ ዜራሕ ዓሌት ዜራሓውያን፡ ካብ ሳውል ዓሌት ሳውላውያን። 14ዓሌታት ስምኦናውያን እዚኣቶም እዮም፡ ዕስራን ክልተን ሽሕን ክልተ ሚእትን።
   15ደቂ ጋድ በብዓሌቶም፡ ካብ ጸፎን ዓሌት ጻፎናውያን፡ ካብ ሓጊ ዓሌት ሓጋውያን፡ ካብ ሹኒ ዓሌት ሹናውያን፡ 16ካብ ኦዝኒ ዓሌት ኦዝናውያን፡ ካብ ኤሪ ዓሌት ኤራውያን፡ 17ካብ ኣሮድ ዓሌት ኣሮዳውያን፡ ካብ ኣርኤሊ ዓሌት ኣርኤላውያን፡ 18ዓሌታት ደቂ ጋድ ከምቲ እተቘጽርዎ እዚኣቶም እዮም፡ ኣርብዓ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን።
   19ደቂ ይሁዳ፡ ኤርን ኦናንን። ኤርን ኦናንን ድማ ኣብ ምድሪ ከነኣን ሞቱ። 20ደቂ ይሁዳ ኸኣ በብዓሌቶም እዚኣቶም እዮም፡ ካብ ሸላ ዓሌት ሸላውያን፡ ካብ ፋሬስ ዓሌት ፋሬሳውያን፡ ካብ ዜራሕ ዓሌት ዜራሓውያን። 21ደቂ ፋሬስ ድማ እዚኣቶም እዮም፡ ካብ ሔጽሮን ዓሌት ሔጽሮናውያን፡ ካብ ሓሙል ዓሌት ሓሙላውያን። 22ዓሌታት ይሁዳ ኸምቲ እተቘጽርዎ እዚኣቶም እዮም፡ ሰብዓን ሹድሽተን ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን።
   23ደቂ ይሳኮር በብዓሌቶም፡ ካብ ቶላ ዓሌት ቶላውያን፡ ካብ ፉዋ ዓሌት ፉዋውያን፡ 24ካብ ያሹብ ዓሌት ያሹባውያን፡ ካብ ሺምሮን ዓሌት ሺምሮናውያን። 25ዓሌታት ይሳኮር ከምቲ እተቘጽርዎ እዚኣቶም እዮም፡ ስሳን ኣርባዕተን ሽሕን ሰለስተ ሚእትን።
   26ደቂ ዛብሎን በብዓሌቶም፡ ካብ ሰረድ ዓሌት ሰረዳውያን፡ ካብ ኤሎን ዓሌት ኤሎናውያን፡ ካብ ያሕልኤል ዓሌት ያሕልኤላውያን። 27ዓሌታት ዛብሎናውያን ከምቲ እተቘጽርዎ እዚኣቶም እዮም፡ ስሳ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን።
   28ደቂ ዮሴፍ በብዓሌቶም፡ ምናሴን ኤፍሬምን። 29ደቂ ምናሴ፡ ካብ ማኪር ዓሌት ማኪራውያን። ማኪር ድማ ንጊልኣድ ወለደ፡ ካብ ጊልኣድ ዓሌት ጊልኣዳውያን። 30ደቂ ጊልኣድ እዚኣቶም እዮም፡ ካብ ኢዔዘር ዓሌት ኢዔዘራውያን፡ ካብ ሔለቅ ዓሌት ሔለቃውያን፡ 31ካብ ኣስሪኤል ከኣ ዓሌት ኣስሪኤላውያን፡ ካብ ሰኬም ድማ ዓሌት ሰኬማውያን። 32ካብ ሸሚዳ ኸኣ ዓሌት ሸሚዳውያን፡ ካብ ሔፈር ድማ ዓሌት ሔፈራውያን። 33ጸሎፈሓድ ወዲ ሔፈር ከኣ ኣዋልድ እምበር፡ ኣወዳት ኣይነበርዎን። ስም እተን ኣዋልድ ጸሎፈሓድ ድማ፡ ማሕላ፡ ኖዓ፡ ሖግላ፡ ሚልካ፡ ቲርጻ እዩ። 34ዓሌታት ምናሴ እዚኣቶም እዮም፡ ቁጹራቶም ከኣ ሓምሳን ክልተን ሽሕን ሾብዓተ ሚእትን ኰኑ።
   35ደቂ ኤፍሬም በብዓሌቶም እዚኣቶም እዮም፡ ካብ ሹተላ ዓሌት ሹተላውያን፡ ካብ ቤከር ዓሌት ቤከራውያን፡ ካብ ታሓን ዓሌት ታሓናውያን። 36ደቂ ሹተላ ኸኣ፡ ካብ ዔራን ዓሌት ዔራናውያን። 37ዓሌታት ደቂ ኤፍሬም ከምቲ እተቘጽርዎ እዚኣቶም እዮም፡ ሰላሳን ክልተን ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን። ደቂ ዮሴፍ በብዓሌቶም እዚኣቶም እዮም።
   38ደቂ ብንያም በብዓሌቶም፡ ካብ ቤላዕ ዓሌት ቤላዓውያን፡ ካብ ኣሽቤል ዓሌት ኣሽቤላውያን፡ ካብ ኣሒራም ዓሊም ኣሒራማውያን። 39ካብ ሸፉፋም ዓሌት ሸፉፋማውያን፡ ካብ ሑፋም ዓሌት ሑፋማውያን። 40ደቂ ቤላዕ፡ ኣርድን ነዓማንን ነበሩ። ካብ ኣርድ ዓሌት ኣርዳውያን፡ ካብ ነዓማን ዓሌት ነዓማናውያን። 41ደቂ ብንያም በብዓሌቶም እዚኣቶም እዮም፡ ቁጽራቶም ከኣ ኣርብዓን ሓሙሽተን ሽሕን ሹድሽተ ሚእትን ኰኑ።
   42ደቂ ዳን በብዓሌቶም እዚኣቶም እዮም፡ ካብ ሹሓም ዓሌት ሹሓማውያን። ዓሌታት ዳን በብዓሌቶም እዚኣቶም እዮም። 43ኲሎም ዓሌታት ሹሓማውያን ከምቲ እተቘጽርዎ ስሳን ኣርባዕተን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ኰኑ።
   44ደቂ ኣሴር በብዓሌቶም፡ ካብ ዪምና ዓሌት ዪምናውያን፡ ካብ ዪሽዊ ዓሌት ዪሽዋውያን፡ ካብ ብሪዓ ዓሌት ብሪዓውያን። 45ካብ ደቂ ብሪዓ፡ ካብ ሔበር ዓሌት ሔብራውያን፡ ካብ ማልኪኤል ዓሌት ማልኪኤላውያን። 46ስም ጓል ኣሴር ሳራ ነበረ። 47ዓሌታት ደቂ ኣሴር ከምቲ እተቘጽርዎ እዚኣቶም እዮም፡ ሓምሳን ሰለስተን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን።
   48ደቂ ንፍታሌም በብዓሌቶም፡ ካብ ያሕጽኤል ዓሌት ያሕጽኤላውያን፡ ካብ ጉኒ ዓሌት ጉናውያን። 49ካብ የጸር ዓሌት የጸራውያን፡ ካብ ሺሌም ዓሌት ሺሌማውያን። 50ዓሌታት ንፍታሌም በብዓሌቶም እዚኣቶም እዮም። ቁጹራቶም ከኣ ኣርብዓን ሓሙሽተን ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ኰኑ።
   51እቶም ካብ ደቂ እስራኤል እተቘጽሩ ሹድሽተ ሚእትን ሓደን ሽሕን ሾብዓተ ሚእትን ሰላሳን ኰኑ።
   52እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ 53እታ ምድሪ ነዚኣቶም ብቑጽሪ ስሞም ርስቲ ዀይና ትመቐል። 54ነቶም ብዙሓት ርስቲ ኣግፍሓሎም፡ ነቶም ሒደት ከኣ ርስቲ ኣንእሰሎም፡ ንነፍሲ ወከፍ ከም ቁጽሩ ርስቱ ይወሃብ። 55እታ ምድሪ ግና ብዕጭ ውድቕ ትመቐል። ከከም ስም ነገድ ኣቦታቶም ይረስተዩ። 56እቲ ርስቶም ኣብ መንጎ እቶም ብዙሓትን እቶም ሒደትን ከምታ ዕጫ ዝሃበቶ ይመቐል። 57እቶም በብዓሌቶም እተቘጽሩ ሌዋውያን ድማ እዚኣቶም እዮም፡ ካብ ገርሾን ዓሌት ገርሾናውያን፡ ካብ ቃሃት ዓሌት ቃሃታውያን፡ ካብ መራሪ ዓሌት መራራውያን። 58ዓሌታት ሌዊ እዚኣቶም እዮም፡ ዓሌት ሊብናውያን፡ ዓሌት ሔብሮናውያን፡ ዓሌት ማሕላውያን፡ ዓሌት ሙሻውያን፡ ዓሌት ቆራሓውያን። ቃሃት ከኣ ንኣምራም ወለደ። 59ስም ሰበይቲ ኣምራም ድማ ዮኬቤድ ነበረ። ንሳ ንሌዊ ኣብ ግብጺ እተወልደትሉ ጓል ሌዊ እያ። ንሳ ኸኣ ንኣምራም ኣሮንን ሙሴን ሚርያም ሓብቶምን ወለደትሉ። 60ንኣሮን ድማ ናዳብን ኣቢሁን ኣልኣዛርን ኢታማርን ተወልዱሉ። 61ናዳብን ኣቢሁን ከኣ ጋሻ ሓዊ ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ምስ ኣቕረቡ፡ ሞቱ። 62እቶም ቁጹራቶም ተባዕትዮ ዘበሉ ኸኣ፡ ካብ ወዲ ወርሒ ንላዕሊ ዕስራን ሰለስተን ሽሕ፡ ኰኑ። ንሳቶም ኣብ ማእከል ደቂ እስራኤል ርስቲ ኣይተዋህቦምን እሞ፡ ስለዚ ምስ ደቂ እስራኤል ኣይተቘጽሩን።
   63ሙሴን ካህን ኣልኣዛርን ኣብ ዮርዳኖስ ናይ ያሪኮ ኣብ ጐላጕል ሞኣብ ዝቘጸርዎም ደቂ እስራኤል እዚኣቶም እዮም። 64ካብቶም ሙሴን ካህን ኣሮንን ኣብ በረኻ ሲና ዝቘጸርዎም ቁጹራት ደቂ እስራኤል ግና ሓደ እኳ ኣብ ማእከል እዚኣቶም ኣይነበረን። 65እግዚኣብሄር ብዛዕባኦም፡ ርግጽ ኣብ በረኻ ኽሞቱ እዮም፡ ኢሉ ነበረ እሞ፡ ካባታቶም፡ ብጀካ ካሌብ ወዲ የፋኔን እያሱ ወዲ ነዌን፡ ሓደ እኳ ኣይተረፈን።

        ዘሁልቁ   ምዕራፍ 27            

   1ኣዋልድ ጸሎፎሓድ ወዲ ሔፈር፡ ወዲ ጊልኣድ ወዲ ማኪር ወድ ምናሴ፡ ካብ ዓሌታት ምናሴ ወዲ ዮሴፍ ከኣ ቀረባ። ስም እተን ኣዋልዱ ድማ እዚ ነበረ፡ ማሕላ፡ ኖዓ፡ ሖግላ፡ ሚልካ፡ ቲርጻ። 2ኣብ ቅድሚ ሙሴን ኣብ ቅድሚ ኻህን ኣልኣዛርን ኣብ ቅድሚ ሹማምትን ኲሉ ኣኼባን ኣብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብ ደው ኢለን፡ 3ኣቦና ኣብ በረኻ ሞተ፡ ንሱ ኸኣ ብሓጢኣቱ ሞተ እምበር፡ ኣብ ማእከል እቶም በቲ ኣኼባ ቆራሕ ናብ ልዕሊ እግዚኣብሄር እተኣከቡ ኣይነበረን፡ ኣወዳት ድማ ኣይነበርዎን። 4ወዲ ስለ ዘይነበሮስ፡ ስለምንታይ ስም ኣቦና ኻብ ማእከል ዓሌቱ ዝጠፍእ፡ ኣብ ማእከል ሓወቦታትና ርስቲ ሃበና፡ በላ። 5ሙሴ ድማ እቲ ነገረን ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣቕረበ። 6እግዚኣብሄር ከኣ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ። 7ኣዋልድ ጸሎፍሓድ እተዛረባኦ ሓቂ እዩ። ኣብ ማእከል ሓወቦታተን ርስቲ ሃበን፡ እቲ ርስቲ ኣቦኤን ናባታተን ኣሕልፎ። 8ንደቂ እስራኤል ድማ ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፡ ሰብ፡ ወዲ ኸይሓደገ እንተ ሞተ፡ እቲ ርስቱ ናብ ጓሉ ኣሕልፍዎ። 9ጓል እንተ ዘይብሉ ኸኣ፡ እቲ ርስቱ ነሕዋቱ ሃብዎም። 10ኣሕዋት እንተ ዘይብሉ ኸኣ፡ እቲ ርስቱ ንሓወቦታቱ ሃብዎም። 11ኣቦኡ ኣሕዋት እንተ ዘይብሉ ድማ፡ እቲ ርስቱ ኻብ ዓሌቱ ንዝቐርቦ ዘመዱ ሃብዎ፡ ንሱ ይውረሶ። እዚ ኸኣ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ንደቂ እስራኤል ሕጊ ፍርዲ ይኹን።
   12እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ በሎ፡ ናብዚ ኸረን ዓባሪም ደይብ፡ እታ ንደቂ እስራኤል ዝሃብክዎም ምድሪ ኸኣ ርኣያ። 13-14ምስ ርኤኻያ ድማ፡ እቲ ኣኼባ ኣብ በረኻ ጺን ክቋየቘኒ ኸሎ፡ ኣብቲ ማይ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ከይትቕድሱኒ፡ ንቓለይ ስለ ዝዓሎኹም፡ ከምቲ ኣሮን ሓውካ እተኣከበ፡ ንስኻውን ከምኡ ናብ ህዝብኻ ኽትእከብ ኢኻ። እዚ ኣብ ቃዴስ ኣብ በረኻ ጺን ዝነበረ ማይ መሪባ እዩ።
   15ሙሴ ኸኣ ንእግዚኣብሄር ከምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ 16-17እቲ ኣኼባ እግዚኣብሄር ጓሳ ኸም ዘይብለን ኣባጊዕ ከይኸውንሲ፡ ኣብ ቅድሚኦም ዝወጽእን ኣብ ቅድሚኦም ዝኣቱን፡ ዘውጽኦምን ዘእትዎምን፡ እግዚኣብሄር፡ ኣምላኽ መናፍስቲ ዅሉ ስጋ፡ ኣብ ልዕሊ እዚ ኣኼባ እዚ ዝኸውን ሰብኣይ ይመድብ። 18እግዚኣብሄር ከኣ ንሙሴ በሎ፡ እያሱ ወዲ ነዌ፡ መንፈስ ዘለዎ ሰብኣይ፡ ናባኻ ውሰድ፡ ኢድካ ድማ ኣብ ልዕሊኡ ኣንብር። 19ኣብ ቅድሚ ኻህን ኣልኣዛርን ኣብ ቅድሚ ዅሉ ኣኼባን ከኣ ደው ኣብሎ፡ ኣብ ቅድሚኦም ድማ ኣዝዞ። 20ኲሉ ኣኬባ ደቂ እስራኤል ምእንቲ ኽእዘዞ ኸኣ፡ ካብ ግርማኻ ኣብ ልዕሊኡ ኣንብር። 21ኣብ ቅድሚ ኻህን ኣልኣዛር ድማ ደው ይበል፡ ንሱ ኸኣ ብፍርዲ ኡሪም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይሕተተሉ። ንሱን ኲሎም ደቂ እስራኤልን ኲሉ እቲ ኣኼባን ከኣ ምስኡ ብቓሉ ይውጽኡ። ብቓሉ ድማ ይእተዉ።
   22ሙሴ ድማ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ገበረ፡ ንእያሱ ወሲዱ ኣብ ቅድሚ ኻህን ኣልኣዛርን ኣብ ቅድሚ ዅሉ ኣኼባን ደው ኣበሎ። 23ንሱ ኸኣ ኣእዳዉ ኣብ ልዕሊኡ ኣንበረ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ብሙሴ እተዛረቦ ድማ ኣዘዞ።

        ዘሁልቁ   ምዕራፍ 28            

   1እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ 2ንደቂ እስራኤል፡ መስዋእተይ፡ እቲ ብልዐይ ነቲ ጥዑም ጨና ዝዀነኒ ናይ ሓዊ መስዋእተይ፡ በቲ ምዱብ ጊዚኡ ኸተቕርቡለይ ሓልዉ፡ ኢልካ ኣዝዞም። 3በሎም ድማ፡ እቲ ንእግዚኣብሄር እተቕርብዎ መስዋእቲ ሓዊ እዚ እዩ፡ ነቲ ናይ ወርትግ ዝሓርር መስዋእቲ ነንመዓልቲ ጐደሎ ዘይብሎም ክልተ ገንሸል ዓመት፡ 4ነቲ ሓደ ገንሸል ብጊሓት ሰውኣዮ፡ ነቲ ኻልኣይ ገንሸልውን ምሸት ሰውኣዮ። 5ንመስዋእቲ ብልዒ ኸኣ ብርብዒ ሂን ጕዱእ ዘይቲ እተቘምጥዐ ዓስራይ ኣፍ ኤፋ ድኹም ሓርጭ። 6እዚ እቲ ኣብ ከረን ሲና እተቐረበ ናይ ወርትግ ዝሓርር መስዋእቲ፡ ንእግዚኣብሄር ንጥዑም ጨና መስዋእቲ ሓዊ እዩ። 7ንመስዋእቲ መስተ ኸኣ ምስቲ ሓደ ገንሸል ርብዒ ሂን ይኹን። እቲ መስዋእቲ መስተ ኻብ ብርቱዕ መስተ ንእግዚኣብሄር ኣብ ቅዱስ ቦታ ይኰዖ። 8ነቲ ኻልኣይ ገንሸል ምሸት ሰውኣዮ። ከምቲ ናይ ብጊሓት ምስ መስዋእቲ ብልዕን ምስ መስዋእቲ መስተን ጌርካ ንእግዚኣብሄር ንጥዑም ጨና ንመስዋእቲ ሓዊ ሰውኣዮ።
   9ብመዓልቲ ሰንበት ድማ ክልተ ገንሸል ዓመት ጐደሎ ዘይብሎም፡ ንመስዋእቲ ብልዒ ኸኣ ክልተ ዓስራይ ኣፍ ኤፋ፡ ብዘይቲ እተቘምጥዐ ድኹም ሓርጭ፡ ምስኡ ኸኣ ናይ መስተ መስዋእቱ። 10እዚ ብጀካ እቲ ናይ ወርትግ ዝሓርር መስዋእትን ናይ መስተ መስዋእቱን፡ ናይ ሰንበተ ሰንበት ዝሓርር መስዋእቲ እዩ።
   11ኣብ መጀመርታ ኣዋርሕኩም ድማ ክልተ ዝራብዕ፡ ሓደ ድዑል፡ ሾብዓተ ገንሸል ዓመት፡ ጐደሎ ዘይብሎም፡ ንእግዚኣብሄር ዝሓርር መስዋእቲ ኸተቕርቡ ኢኹም፡ 12መስዋእቲ ብልዒ ድማ ነንሓደ ዝራብዕ ሰለስተ ዓስራይ ኣፍ ኤፋ፡ ብዘይቲ እተቘምጥዐ ድኹም ሓርጭ፡ ነቲ ድዑል መስዋእቲ ብልዒ ኸኣ ክልተ ዓስራይ ኣፍ፡ ብዘይቲ እተቘምጥዐ ድኹም ሓርጭ። 13ነንሓደ ገንሸል መስዋእቲ ብልዒ ድማ ሓደ ዓስራይ ኣፍ፡ ብዘይቲ እተቘምጥዐ ድኹም ሓርጭ፡ ንጥዑም ጨና ዝሓርር መስዋእቲ ሓዊ ንእግዚኣብሄር። 14ናይ መስተ መስዋእቶም ድማ ንዝራብዕ ፈረቓ ሂን ወይኒ፡ ንድዑል ከኣ ሳልሳይ ኣፍ ሂን፡ ንገንሸል ከኣ ርብዒ ሂን። እዚ ኣብ ናይ ዓመት ኣዋርሕ፡ በብወርሒ ዝሓርር መስዋእቲ እዩ። 15ንመስዋኣቲ ሓጢኣት ድማ ሓደ ድቤላ ንእግዚኣብሄር የቕርብ፡ እዚ ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ ወርትግ ዝሓርር መስዋእትን ናይ መስተ መስዋእቱን ይሰዋእ።
   16በታ ቐዳመይቲ ወርሒ፡ ካብታ ወርሒ ኣብ መበል ዓሰርተው ኣርባዕተ መዓልቲ ኸኣ ፋስጋ እግዚኣብሄር እዩ። 17ኣብታ ወርሒ እቲኣ ኣብ መበል ዓሰርተው ሓሙሽተ መዓልቲ ድማ በዓል እዩ። ሾብዓተ መዓልቲ ቅጫ ይበላዕ። 18በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ቅዱስ ኣኼባ ይኹነልኩም። ገለ ዕዮ ኣገልግሎት ኣይትዕየዩ። 19ግናኸ መስዋእቲ ሓዊ፡ ዝሓርር መስዋእቲ ንእግዚኣብሄር ክልተ ዝራብዕ፡ ሓደ ድዑል፡ ሾብዓተ ገንሸል ዓመት ኣቕርቡ፡ ጐደሎ ዘይብሎም ይኹኑልኩም። 20ናይ ብልዒ መስዋእቶም ከኣ ብዘይቲ እተቘምጥዐ ድኹም ሓርጭ፡ ንዝራብዕ ሰለስተ ዓስራይ ኣፍ፡ ንድዑል ክልተ ዓስራይ ኣፍ ሰውኡ። 21ነቶም ሾብዓተ ገንሸል ነንሓደ ገንሸል ዓስራይ ኣፍ ሰውእ። 22ንምትዕራቕኩም ድማ ሓደ ድቤላ ንመስዋኣቲ ሓጢኣት። 23ብጀካ እቲ ናይ ብጊሓት ዝሓርር መስዋእቲ፡ እቲ ናይ ወርትግ ዝሓርር መስዋእቲ፡ እዚ ሰውኡ። 24ኣብ ጸጽባሕ ሾብዓተ መዓልቲ ኸምኡ ግበሩ፡ ብልዒ መስዋእቲ ሓዊ ንእግዚኣብሄር ንጥዑም ጨና እዩ። እዚ ምስቲ ናይ ወርትግ ዝሓርር መስዋእትን ናይ መስተ መስዋእቱን ይሰዋእ። 25በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ኸኣ ቅዱስ ኣኼባ ይኹነልኩም፡ ገለ ዕዮ ኣገልግሎት ኣይትዕየዩ።
   26በታ ቐዳማይ ፍሬኹም ንእግዚኣብሄር ሓድሽ መስዋእቲ ብልዒ እተቕርቡላ መዓልቲ፡ በቲ ናይ ሰሙን በዓላትኩም፡ ቅዱስ ኣኼባ ይኹነልኩም፡ ገለ ዕዮ ኣገልግሎት ኣይትዕየዩ። 27ግናኸ ዝሓርር መስዋእቲ ንእግዚኣብሄር ንጥዑም ጨና ኽልተ ዝራብዕ ሓደ ድዑል፡ ሾብዓተ ገንሸል ዓመት ኣቕርቡ። 28ናይ ብልዒ መስዋእቶም ድማ ብዘይቲ እተቘምጥዐ ድኹም ሓርጭ፡ ነንዝራብዕ ሰለስተ ዓስራይ ኣፍ፡ ነቲ ድዑል ከኣ ክልተ ዓስራይ ኣፍ፡ 29ነቶም ሾብዓተ ገንሸል ከኣ ነንሓደ ገንሸል ዓስራይ ኣፍ፡ 30ንምትዕራቕኩም ድማ ሓደ ድቤላ ሰውኡ። 31ብጀካ እቲ ናይ ወርትግ ዝሓርር መስዋእቲ ምስ ናይ ብልዒ መስዋእቱን ምስ ናይ መስተ መስዋእቶምን እዚ ሰውኡ። ጐደሎ ዘይብሎም ከኣ ይኹኑልኩም።

        ዘሁልቁ   ምዕራፍ 29 

   1ብሳብዐይቲ ወርሒ፡ ኣብታ ወርሒ ኸኣ በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ቅዱስ ኣኼባ ይኹነልኩም። ገለ ዕዮ ኣገልግሎት ኣይትዕየዩ። ንሳ መዓልቲ ቓና መለኸት ትኹነልኩም። 2ሽዑ ንእግዚኣብሄር ንጥዑም ጨና ዝሓርር መስዋእቲ፡ ሓደ ዝራብዕ፡ ሓደ ድዑል፡ ጐደሎ ዘይብሎም ሾብዓተ ገንሸል ዓመት፡ 3ናይ ብልዒ መስዋእቶም ከኣ ብዘይቲ እተቘምጥዐ ድኹም ሓርጭ፡ ነቲ ዝራብዕ ሰለስተ ዓስራይ ኣፍ፡ ነቲ ድዑል ድማ ክልተ ዓስራይ ኣፍ፡ 4ነቶም ሾብዓተ ገንሸል ከኣ ነንገንሸል ሓደ ዓስራይ ኣፍ፡ 5ንመስዋእቲ ሓጢኣት ከኣ ንምትዕራቕኩም ሓደ ድቤላ፡ 6እዚ ብጀካ እቲ ናይ መጀመርታ ወርሒ ዝሓርር መስዋእትን ምስ ናይ ብልዒ መስዋእቱን እቲ ናይ ወርትግ ዝሓርር መስዋእትን ናይ ብልዒ መስዋእቱን ናይ መስተ መስዋእቶምን እዚ ንእግዚኣብሄር ንጥዑም ጨና መስዋእቲ ሓዊ እዩ።
   7ካብዛ ሳብዐይቲ ወርሒ እዚኣ ኣብ ዓስረይቲ መዓልቲ ኸኣ ቅዱስ ኣኼባ ይዅነልኩም፡ ነፍስኹም ከኣ ኣዋርዱ። ገለ ዕዮ ኣይትዕየዩ። 8ንእግዚኣብሄር ንጥዑም ጨና ዝሓርር መስዋእቲ፡ ሓደ ዝራብዕ፡ ሓደ ድዑል፡ ሾብዓተ ገንሸል ዓመት ኣቕርቡ፡ ጐደሎ ዘይብሎም ከኣ ይኹኑልኩም። 9ናይ ብልዒ መስዋእቶም ድማ ብዘይቲ እተቘምጥዐ ድኹም ሓርጭ፡ ነቲ ዝራብዕ ሰለስተ ዓስራይ ኣፍ፡ ነቲ ድዑል ከኣ ክልተ ዓስራይ ኣፍ፡ 10ነቶም ሾብዓተ ገንሸል ነንገንሸል ዓስራይ ኣፍ፡ 11ንመስዋእቲ ሓጢኣት ሓደ ድቤላ፡ እዚ ብጀካ እቲ ንመተዓረቒ ዝኸውን መስዋእቲ ሓጢኣትን ናይ ወርትግ ዝሓርር መስዋእትን ምስ ናይ ብልዒ መስዋእቱን ናይ መስተ መስዋእቶምን ኣቕርቡ።
   12ኣብታ ሳብዐይቲ ወርሒ ኣብ መበል ዓሰርተው ሓሙሽተ መዓልቲ ቅዱስ ኣኼባ ይኹነልኩም፡ ገለ ዕዮ ኣገልግሎት ኣይትዕየዩ፡ ሾብዓተ መዓልቲ ንእግዚኣብሄር በዓል ኣብዕሉ። 13ንእግዚኣብሄር ንጥዑም ጨና ዝሓርር መስዋእቲ መስዋእቲ ሓዊ፡ ኣቕርቡ፡ ዓሰርተው ሰለስተ ዝራብዕ፡ ክልተ ድዑል፡ ዓሰርተው ኣርባዕተ ገንሸል ዓመት ኣቕርቡ፡ ገደሎ ዘይብሎም ከኣ ይኹኑ። 14ናይ ብልዒ መስዋእቶም ከኣ ብዘይቲ እተቘምጥዐ ድኹም ሓርጭ፡ ነቶም ዓሰርተው ሰለስተ ዝራብዕ፡ ነንሓደ ዝራብዕ ሰለስተ ዓስራይ ኣፍ፡ ነቶም ክልተ ድዑል ድማ ነንሓደ ድዑል ክልተ ዓስራይ ኣፍ፡ 15ነቶም ዓሰርተው ኣርባዕተ ገንሸል ከኣ ነንሓደ ገንሸል ዓስራይ ኣፍ፡ 16ንመስዋእቲ ሓጢኣት ድማ ሓደ ድቤላ፡ እዚ ብጀካ እቲ ናይ ወርትግ ዝሓርር መስዋእቱ፡ ምስቲ ናይ ብልዒ መስዋእቱን ናይ መስተ መስዋእቱን ጌርኩም ኣቕርቡ።
   17ኣብታ ኻልኣይቲ መዓልቲ ድማ፡ ዓሰርተው ክልተ ዝራብዕ፡ ክልተ ድዑል፡ ጐደሎ ዘይብሎም ዓሰርተው ኣርባዕተ ገንሸል ዓመት ኣቕርቡ፡ 18ምስቲ ናይ ብልዒ መስዋእቶምን ናይ መስተ መስዋእቶምን ነቶም ዝራብዓትን ደዓውልን ገንሸልን ከምቲ ቑጽሮም፡ ከምቲ እተሰርዐ፡ 19ንመስዋእቲ ሓጢኣት ከኣ ሓደ ድቤላ፡ እዚ ብጀካ እቲ ናይ ወርትግ ዝሓርር መስዋእቲ፡ ምስ ናይ ብልዒ መስዋእቱን ናይ መስተ መስዋእቶምን ኣቕርቡ።
   20በታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ድማ ዓሰርተው ሓደ ዝራብዕ፡ ክልተ ድዑል፡ ጐደሎ ዘይብሎም ዓሰርተው ኣርባዕተ ገንሸል ዓመት፡ 21ድማ እቲ ናይ ብልዒ መስዋእቶምን ናይ መስተ መስዋእቶምን ነቶም ዝራብዓትን ደዓውልን ገነሽልን፡ ከምቲ ቑጽሮም፡ ከምቲ እተሰርዐ፡ 22ንመስዋእቲ ሓጢኣት ከኣ ሓደ ድቤላ፡ እዚ ብጀካ እቲ ናይ ወርትግ ዝሓርር መስዋእቲ ምስ ናይ ብልዒ መስዋእቱን ናይ መስተ መስዋእቱን።
   23በታ ራብዐይቲ መዓልቲ ድማ ዓሰርተ ዝራብዕ፡ ክልተ ድዑል፡ ጐደሎ ዘይብሎም ዓሰርተው ኣርባዕተ ገንሸል ዓመት፡ 24ድማ እቲ ናይ ብልዒ መስዋእቶምን ናይ መስተ መስዋእቶምን፡ ነቶም ዝራብዓትን ደዓውልን ገነሽልን፡ ከምቲ ቑጽሮም፡ ከምቲ እተሰርዐ፡ 25ንመስዋእቲ ሓጢኣት ከኣ ሓደ ድቤላ፡ እዚ ብጀካ እቲ ናይ ወርትግ ዝሓርር መስዋእቲ ናይ ብልዒ መስዋእቱን ናይ መስተ መስዋእቱን።
   26በታ ሓምሰይቲ መዓልቲ ድማ ትሽዓተ ዝራብዕ፡ ክልተ ድዑል፡ ጐደሎ ዘይብሎም ዓሰርተው ኣርባዕተ ገንሸል ዓመት። 27ድማ እቲ ናይ ብልዒ መስዋእቶምን ናይ መስተ መስዋእቶምን ነቶም ዝራብዓትን ደዓውልን ገነሽልን፡ ከምቲ ቑጽሮም፡ ከምቲ እተሰርዐ፡ 28ንመስዋእቲ ሓጢኣት ከኣ ሓደ ድቤላ፡ እዚ ብጀካ እቲ ናይ ወርትግ ዝሓርር መስዋእቲ፡ ምስ ናይ ብልዒ መስዋእቱን ናይ መስተ መስዋእቱን።
   29በታ ሳድሰይቲ መዓልቲ ድማ ሾሞንተ ዝራብዕ፡ ክልተ ድዑል፡ ጐደሎ ዘይብሎም ዓሰርተው ኣርባዕተ ገንሸል ዓመት፡ 30ድማ እቲ ናይ ብልዒ መስዋእቶምን ናይ መስተ መስዋእቶምን፡ ነቶም ዝራብዓትን ደዓውልን ገንሸልን፡ ከምቲ ቑጽሮም፡ ከምቲ እተሰርዐ። 31ንመስዋእቲ ሓጢኣት ከኣ ሓደ ድቤላ፡ እዚ ብጀካ እቲ ናይ ወርትግ ዝሓርር መስዋእቲ፡ ናይ ብልዒ መስዋእቱን ናይ መስተ መስዋእቱን።
   32በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ድማ ሾብዓተ ዝራብዕ፡ ክልተ ድዑል፡ ጐደሎ ዘይብሎም ዓሰርተው ኣርባዕተ ገንሸል ዓመት፡ 33ድማ እቲ ናይ ብልዒ መስዋእቶምን ናይ መስተ መስዋእቶምን፡ ነቶም ዝራብዓትን ድዓውልን ገንሸልን፡ ከምቲ ቑጽሮም፡ ከምቲ እተሰርዐ፡ 34ንመስዋእቲ ሓጢኣት ከኣ ሓደ ድቤላ፡ እዚ ብጀካ እቲ ናይ ወርትግ ዝሓርር መስዋእቲ ናይ ብልዒ መስዋእቱን ናይ መስተ መስዋእቱን።
   35በታ ሳምነይቲ መዓልቲ ኽቡር ኣኼባ ይኹነልኩም፡ ኩሉ ዕዮ ኣገልግሎት ኣይትዕየዩ። 36ንእግዚኣብሄር ጥዑም ጨና ዝሓርር መስዋኣቲ፡ መስዋእቲ ሓዊ ኣቕርቡ፡ ሓደ ዝራብዕ፡ ሓደ ድዑል፡ ጐደሎ ዘይብሎም ሾብዓተ ገንሸል ዓመት፡ 37እቲ ናይ ብልዒ መስዋእቶምን ናይ መስተ መስዋእቶምን፡ ነቲ ዝራብዕን ነቲ ድዑልን ንገነሽልን፡ ከምቲ ቑጽሮም፡ ከምቲ እተሰርዐ፡ 38ንመስዋእቲ ሓጢኣት ከኣ ሓደ ድቤላ፡ እዚ ብጀካ እቲ ናይ ወርትግ ዝሓርር መስዋእቲ ናይ ብልዒ መስዋእቱን ናይ መስተ መስዋእቱን።
   39እዚ ብጀካ እቲ መብጽዓኹምን ናይ ፍቓድ መስዋእትኹምን ንዝሓርር መስዋእትኹም ኰነ ወይ ናይ ብልዒ መስዋእትኹም ወይ ናይ መስተ መስዋእትኹም ወይ ናይ ምስጋና መስዋእትኹም በቶም ዓበይቲ በዓላት ንእግዚኣብሄር ከተቕርቡ ኢኹም።

        ዘሁልቁ   ምዕራፍ 30            

   1ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ዅሉ ድማ፡ ሙሴ ንደቂ እስራኤል ነገሮም።
   2ሙሴ ኸኣ ንሓላቑ ነገድ ደቂ እስራኤል፡ እቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ እዚ እዩ፡ ኢሉ ተዛረቦም፡ 3ሰብ ንእግዚኣብሄር መብጽዓ እንተ ተማባጽዐ፡ ወይ ምሒሉ፡ ገለ ነገር ይትረፈኒ ብምባል፡ ነፍሱ ብማሕላ እንተ ኣሰረ፡ ቃሉ ኣየፍርስ፡ ከምቲ ኻብ ኣፉ ዝወጸ ኹሉ ይግበር።
   4ሰበይቲ ድማ ብግዜ ንእስነታ፡ ኣብ ቤት ኣቦኣ ኸላ፡ ንእግዚኣብሄር መብጽዓ እንተ ተማባጽዐት፡ ብገለ ማእሰር ከኣ እንተ ተኣስረት፡ 5ኣቦኣ ድማ መብጽዓኣን እቲ ነፍሳ ዝኣሰረትሉ መእሰርን እንተ ሰምዐ፡ እሞ ኣቦኣ ብዛዕባ እዚ ስቕ እንተ በለ፡ ኲሉ መብጽዓኣ ይቑም፡ እቲ ነፍሳ ዝኣሰረትሉ ዅሉ መእሰሪ ኸኣ ይቑም። 6ኣቦኣ በታ ዝሰምዓላ መዓልቲ እንተ ኸልኣ ግና፡ ኲሉ መብጽዓኣን እቲ ነፍሳ ዝኣሰረትሉ መእሰርን ኣይቑም። ኣቦኣ እዩ ዝኸልኣ እሞ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ይቕረ ኽብለላ እዩ። 7ተማባጺዓ ኸላ፡ ወይ ብታህዋኽ ካብ ኣፋ ቓል እንተ ሞለቛ እሞ፡ ብእኡ ነፍሳ ኣሲራ ኸላ ኣብ ሰብኣይ እንተ ተኣትወት፡ 8እቲ ሰብኣያ ኸኣ ሰሚዑ፡ በታ ዝሰምዓላ መዓልቲ ስቕ እንተ በለ፡ እቲ መብጽዓኣ ይቑም፡ እቲ ነፍሳ ዝኣሰረትሉ መእሰሪኣ ድማ ይቑም። 9እቲ ሰብኣያ በታ ዝሰምዓላ መዓልቲ እንተ ኸልኣ ግና፡ ንሱ ነቲ መብጽዓኣን ነቲ ብእኡ ነፍሳ ዝኣሰረትሉ ብታህዋኽ ካብ ኣፋ ዝመለቘ ቓልን ከንቱ ይገብሮ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ክሓድገላ እዩ። 10ናይ መበለት ወይ ናይ ፍትሕቲ ሰበይቲ መብጾዓ ግና፡ ነፍሳ ዝኣሰረትሉ ዅሉ ይቑመላ።
   11ኣብ ቤት ሰብኣያ ኸላ ድማ፡ እንተ ተማባጽዐት ወይ ብናይ ማሕላ መእሰሪ ነፍሳ እንተ ኣሰረት፡ 12ሰብኣያ ኸኣ ሰሚዑ ስቕ እንተ በለ እሞ እንተ ዘይከልኣ፡ ኲሉ መብጽዓኣ ይቑም፡ እቲ ነፍሳ ዝኣሰረትሉ ዅሉ መእሰሪ ድማ ይቑም። 13ሰብኣያ በታ ዝሰምዓላ መዓልቲ ፈጺሙ ኸንቱ እንተ ገበሮ ግና፡ ብዛዕባ መብጽዓኣ ወይ ብዛዕባ እቲ እተኣስረትሉ፡ ካብ ኣፋ ዝወጾ ዅሉ ኣይቐውምን። ሰብኣያ እዩ ኸንቱ ዝገበሮ፡ እግዚኣብሄር ድማ ይቕረ ኽብለላ እዩ። 14ነፍሳ ኸተትሕት ኢላ እተማባጾዓቶ ዅሉ ወይ ናይ ማሕላ መእሰሪ ዘበለ ሰብኣያ የቑሞ፡ ሰብኣያ ኸኣ ከንቱ ይገብሮ። 15ሰብኣያ ኻብ መዓልቲ ንመዓልቲ ስቕ እንተ በለ ግና፡ ንዅሉ መብጾዓኣን ንዅሉ ኣብ ልዕሊኣ ዘሎ መእሰሪኣን ኣቘሞ፡ በታ ዝሰምዓላ መዓልቲ ስቕ ኢሉ እዩ እሞ፡ ኣቘሞ። 16ምስ ሰምዐ፡ ጸኒሑ ፈጺሙ ኸንቱ እንተ ገበሮ ግና፡ ንሱ በደላ ይጸውር።
   17እቲ ብዛዕባ ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን፡ ኣብ መንጎ ኣቦን ጓልን ብግዜ ንእስነታ ኣብ ቤት ኣቦኣ ኸላ፡ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ሕጋጋት እዚ እዩ።

        ዘሁልቁ   ምዕራፍ 31

   1-2እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ ንደቂ እስራኤል ንሚድያናውያን ሕነ ፍደየሎም፡ ድሕሪኡ ናብ ህዝብኻ ኽትእከብ ኢኻ፡ ኢሉ ተዛረቦ። 3ሙሴ ኸኣ ነቲ ህዝቢ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ ካባኻትኩም ሰባት ንውግእ ይዳለዉ፡ ኣብ ሚድያን ሕነ እግዚኣብሄር ክፈድዮ ኸኣ ንሚድያን ይኺዱ። 4ካብ ኲሎም ነገዳት እስራኤል፡ ከካብ ነገድ ሽሕ ሰብ ንውግእ ስደዱ። 5ካብ ኣሽሓት እስራኤል፡ ከካብ ነገድ ሽሕ ተዋህቡ፡ ዓሰርተው ክልተ ሽሕ ንውግእ ተዳለዉ። 6ሙሴ ድማ ነቶም ከካብ ነገድ ሽሕ ዝወጹ፡ ንኣታቶምን ነቲ ምስ ኣቓሑ መቕደስን መለኸት መመልከትን ኣብ ኢዱ ዝነበሮ ፊንሃስ ወዲ ኻህን ኣልኣዛርን ናብ ውግእ ሰደዶም። 7ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ኸኣ፡ ምስ ሚድያን ተዋግኡ፡ ንዅሉ ተባዕታይ ድማ ቐተሉ። 8ንነገስታት ሚድያን ድማ፡ ንኤዊን ሬቀምን ጹርን ሑርን ሬባዕን፡ ነቶም ሓሙሽተ ነገስታት ሚድያን ምስቶም ቅቱላቶም ቀተልዎም። ንበላዓም ወዲ ቤዖር ድማ ብሴፍ ቀተልዎ። 9ደቂ እስራኤል ከኣ ነንስቲ ሚድያንን ንቘልዑኤንን ማረኹ። ኲሉ ማሎምን ኲሉ ጥሪቶምን ኲሉ ገንዘቦምን ዘመቱ። 10ንዅለን ዝነብሩለን ከተማታቶምን ኲሉ ሰፈሮምን ከኣ ብሓዊ ኣንደዱ። 11ኲሉ ሰለባን ኲሉ ምርኮን፡ ሰብ ኰነ ማል ኰነ፡ ወሰዱ። 12ነቶም ምሩኻትን ነቲ እተዘምተን ነቲ ሰለባን ድማ ናብ ሙሴን ናብ ካህን ኣልኣዛርን ናብ ኣኼባ ደቂ እስራኤልን፡ ናብቲ ሰፈር ኣብ ጐላጕል ሞኣብ ናይ ዮርዳኖስ፡ ኣብ መንጽር ያሪኮ ኣምጽእዎ።
   13ሙሴን ካህን ኣልኣዛርን ኲሎም ሹማምቲ እቲ ኣኼባን ድማ ናብ ወጻኢ ሰፈር ክቕበልዎም ወጹ። 14ሙሴ ኸኣ በቶም ካብ ውግእ እተመልሱ ሓላቑ ሰራዊት፡ በቶም ሓላቑ ሽሕን ሓላቑ ሚእትን፡ ተናደደ። 15ሙሴ ድማ በሎም፡ ንዅለን ኣንስቲዶ ብህይወት ሓዲግኩምወን፡ 16እንሆ፡ በቲ ናይ ጴዖር ነገር፡ ብምኽሪ በላዓም፡ ንደቂ እስራኤል ንእግዚኣብሄር ዘጥለማኦም ንሳተን እየን፡ ስለዚ ኸኣ ኣብቲ ኣኼባ እግዚኣብሄር መዓት ኰነ። 17ሕጂ ድማ ካብ ቈልዑ ተባዕታይ ዘበለ ቕተሉ፡ ምስ ተባዕታይ ብምድቃስ ሰብኣይ ዝፈለጣ ዅለን ኣንስቲ ኸኣ ቅተልወን። 18ብምድቃስ ንተባዕታይ ዘይፈለጣ ዅለን ኣዋልድ ግና ንኣኻትኩም ክዀና ብህይወተን ሕደግወን። 19ንስኻትኩም ከኣ ክሳዕ ሾብዓተ መዓልቲ ኣብ ወጻኢ ሰፈር ስፈሩ፡ ሰብ ዝቐተለ ዘበለን እተቐትለ ዝተንከየ ዘበለን ከኣ፡ ንስኻትኩምን ምሩኻትኩምን፡ ብሳልሰይቲ መዓልትን ብሳብዐይቲ መዓልትን ርእስኹም ኣንጽሁ። 20ኲሉ ኽዳውንትን ኲሉ ኣቕሓ ቘርበትን ካብ ጸጕሪ ጤል እተገብረ ዅለን ኲሉ ኣቕሓ ዕጨይትን ኣንጽህዎ።
   21ካህን ኣልኣዛር ድማ ነቶም ኣብ ውግእ ከይዶም ዝነበሩ ተዋጋእቲ ሰባት በሎም፡ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ትእዛዝ ሕጊ እዚ እዩ፡ 22ወርቅን ብሩርን፡ ኣስራዚ፡ ሓጺን፡ ቈርቈሮን ዓረርን፡ 23ሓዊ ዝኽእል ኲሉ ነገር ብሓዊ ኣሕልፍዎ፡ ይነጽህ ድማ፡ በቲ ዘንጽህ ማይ ከኣ ይንጻህ። ሓዊ ንዘይኽእል ኲሉ ድማ ብማይ ኣሕልፍዎ። 24ኣብታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ኸኣ ክዳውንትኹም ሕጸቡ፡ ትነጽሁ ኸኣ። ድሕርቲ ሰፈር ትኣትዉ።
   25እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ 26ንስኻን ካህን ኣልኣዛርን ሓላቑ ማይ ቤት ኣቦታት ኣኼባን ኴንኩም፡ ነቲ ምርኮ፡ ሰቡን ማሉን፡ ቁጸርዎ። 27እቲ ምርኮ ነቶም ኣብ ውግእ ዝኸዱ ተዋጋእትን ንብዘሎ እቲ ኣኼባን ፍርቀ ፍርቂ ጌርኩም ምቐልዎም፡ 28ካብቶም ናብ ውግእ ከይዶም ዝነበሩ ሰብ ውግእ፡ ካብ ሰብን ካብ ኣሓን ካብ ኣእዱግን ካብ ኣባጊዕን ከካብ ሓሙሽተ ሚእቲ ሓንቲ ነፍሲ ንእግዚኣብሄር ግብሪ ኣልዕል። 29ካብቲ ፍርቆም ውሰዱ እሞ፡ ንእግዚኣብሄር ዝውዝወዝ መስዋእቲ ክኸውን፡ ንኻህን ኣልኣዛር ሃቦ። 30ካብቲ ፍርቂ ናይ ደቂ እስራኤል ከኣ፡ ካብ ሰብ፡ ካብ ኣሓ፡ ካብ ኣእዱግን ካብ ኣባጊዕን፡ ካብ ኲለን ከብቲ ከካብ ሓምሳ ሓደ ውሰድ፡ ነቶም ሓለዋ ማሕደር እግዚብሄር ዝሕልዉ ሌዋውያን ሃቦም።
   31ሙሴን ካህን ኣልኣዛርን ድማ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ገበሩ። 32እቲ እተዘምተ፡ ካብቲ እቶም ሰብ ውግእ ዝዘመትዎ ዝተረፈ ዝማት ሹድሽተ ሚእትን ሰብዓን ሓሙሽተን ሽሕ በጊዕ። 33ሰብዓን ክልተን ሽሕ ላም፡ 34ስሳን ሓደን ሽሕ ኣድጊ፡ 35ኲልዅለን ሰላሳን ክልተን ሽሕ ሰብ ከኣ ምስ ተባዕታይ ምድቃስ ዘይፈላጣ ነፍሳት ኣዋልድ። 36እቲ ፍርቂ፡ ግደ እቶም ናብ ውግእ ከይዶም ዝነበሩ፡ ቁጽሪ እተን ኣባጊዕ ሰለስተ ሚእትን ሰላሳን ሾብዓን ሽሕ ሓሙሽተን ሚእትን ኰነ። 37ካብ ኣባጊዕ ግብሪ ንእግዚኣብሄር ሹድሽተ ሚእትን ሰብዓን ሓሙሽተን ኰነ። 38ኣሓ ድማ ሰላሳን ሹድሽተን ሽሕ፡ ካብኡ ግብሪ ንእግዚኣብሄር ሰብዓን ክልተን። 39ኣእዱግ ከኣ ሰላሳ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን፡ ካብኡ ግብሪ ንእግዚኣብሄር ስሳን ሓደን፡ 40ነፍሲ ሰብ ድማ ዓሰርተው ሹድሽተ ሽሕ፡ ካብኡ ግብሪ ንእግዚኣብሄር ሰላሳን ክልተን ነፍሲ። 41ሙሴ ድማ እቲ ግብሪ፡ እቲ ናይ እግዚኣብሄር ዝልዓል መስዋእቲ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ፡ ንኻህን ኣልኣዛር ሃቦ። 42እቲ ኻብቶም ኣብ ውግእ ዝነበሩ ሙሴ ዝመቐሎ፡ ፈረቓ እቲ ግደ ደቂ እስራኤል ከኣ፡ 43እቲ ናይቲ ኣኼባ ፍርቂ፡ ካብ ኣባጊዕ ሰለስተ ሚእትን ሰላሳን ሾብዓተን ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን፡ 44ኣሓ ሰላሳን ሹድሽተን ሽሕ፡ 45ኣእዱግ ሰላሳ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን፡ 46ነፍሲ ሰብ ድማ ዓሰርተው ሹድሽተ ሽሕ ኰነ፡ 47ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ድማ፡ ሙሴ ኻብዚ ናይ ደቂ እስራኤል ፍርቂ፡ ካብ ሰብን ካብ እንስሳን፡ ከካብ ሓምሳ ሓደ ወሲዱ፡ ነቶም ሓለዋ ማሕደር እግዚኣብሄር ዝሕልዉ ዝነበሩ ሌዋውያን ሃቦም።
   48እቶም ኣብ ልዕሊ ኣሽሓት ሰራዊት እተሾሙ ሓላቑ ኣሽሓትን ሓላቑ ሚእትታትን ድማ ናብ ሙሴ ቐረቡ፡ 49ንሙሴ ኸኣ፡ ገላዉኻ ቁጽሪ እቶም ኣብ ትሕቴና ዘለዉ ዓቀይቲ ቘጸርና፡ ሓደ ሰብ እኳ ኣይጐደለናን። 50ነፍሲ ወከፍ ካባና ድማ ኣቕሓ ወርቂ ዝረከበ፡ ኣልቦ፡ ኣምባር፡ ቀለቤት፡ ኲትሻ፡ ድሪ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኸተዓርቐና፡ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ኣቕረብና፡ በልዎ። 51ሙሴን ካህን ኣልኣዛርን ከኣ ነቲ በብዓይነቱ እተሰርሐ ኣቓሑ ወርቂ ኻባታቶም ወሰድዎ። 52እቲ ኻብ ሓላቑ ኣሽሓትን ካብ ሓላቑ ሚእትታትን ንእግዚኣብሄር ዝልዓል መስዋእቲ ዘቕረብዎ ዅሉ ወርቂ ዓሰርተው ሹድሽተ ሽሕን ሾብዓተ ሚእትን ሓምሳን ሲቃል ኰነ። 53እቶም ሰብ ውግእ፡ ነፍሲ ወከፍ ነንርእሱ፡ ዝዅኖ ማሪኹ ነበረ። 54ሙሴን ካህን ኣልኣዛርን ነቲ ወርቂ ኻብ ሓላቑ ኣሽሓትን ሚእትታትን ወሲዶም፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንመዘከርታ ደቂ እስራኤል ክኸውን፡ ናብ ድንኳን ምርኻብ ኣእተውዎ።

        ዘሁልቁ   ምዕራፍ 32 

   1ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን ድማ ኣዝየን ብዙሓት ማል ነበራኦም። እንሆ ኸኣ፡ ምድሪ ያዕዜርን ምድሪ ጊልኣድን ቦታ ማል ከም ዝዀነ ምስ ረኣዩ፡ 2ደቂ ጋድን ደቂ ሮቤልን መጺኦም፡ ንሙሴን ንኻህን ኣልኣዛርን ንሹማምቲ ኣኼባን፡ 3ዓጣሮትን ዲቦንን ያዕዜርን ኒምራህን ሔስቦንን ኤልዓለን ሴባምን ኔቦን ቤዖንን፡ 4እዛ ኣብ ቅድሚ ኣኼባ እስራኤል፡ እግዚኣብሄር ዝወቕዓ ምድሪ፡ ምድሪ ማል እያ፡ ገላዉኻ ድማ ማል ኣለዋና፡ ኢሎም ተዛረብዎም። 5ኣብ ቅድሚ ዓይንኻ ሞገስ እንተ ደኣ ረኸብናስ፡ እዛ ምድሪ እዚኣ ንገላዉኻ ርስቲ ትወሃብ፡ ንዮርዳኖስ ኣይተሳግረና፡ ከኣ በሉ። 6ሙሴ ግና ንደቂ ጋድን ንደቂ ሮቤልን በሎም፡ ኣሕዋትኩም ናብ ውግእ ክኸዱ ኸለዉዶ፡ ኣብዚ ኽትተርፉ ኢኹም፧ 7ስለምንታይ፡ ናብታ እግዚኣብሄር ዝሃቦም ምድሪ ኸይኣትዉ፡ ልቢ ደቂ እስራኤል እተድክሙ፧ 8ኣቦታትኩም ድማ፡ ምድሪ ኽርእዩ ኢለ ኻብ ቃዴስ-ባርኔዓ ምስ ሰደድክዎም፡ ከምኡ ገበሩ። 9ክሳዕ ለሰ ኤሽኮል ደይቦም ነታ ምድሪ ምስ ረኣይዋ፡ ናብታ እግዚኣብሄር ዝሃቦም ምድሪ ኻብ ምእታው ንልቢ ደቂ እስራኤል ኣሸበርዎ። 10በታ መዓልቲ እቲኣ ከኣ ኲራ እግዚኣብሄር ነደደ እሞ ኸምዚ ኢሉ መሓለ፡ 11-12ብጀካ ካሌብ ወዲ የፋኔ ቀኒዛውን እያሱ ወዲ ነዌን፡ ንእግዚኣብሄር ፈጺሞም ስለ ዝሰዓብዎ፡ እዞም ካብ ግብጺ ዝደየቡ ሰባት ፈጺሞም ስለ ዘይሰዓቡኒ፡ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ዘለዉ ነታ ንኣብርሃም፡ ንይስሃቅ፡ ንያእቆብ ከኣ ዝመሓልኩሎም ምድሪ ኣይርእይዋን እዮም። 13ኲራ እግዚኣብሄር ከኣ ኣብ እስራኤል ነደደ እሞ፡ እቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፋእ ዝገበረ ወለዶ ኽሳዕ ዝውዳእ፡ ኣርብዓ ዓመት ኣብ በረኻ ዀለል ኣበሎም። 14ኣቱም ትውልዲ ሓጥኣን ሰባት፡ ነቲ ነዳዲ ዅራ እግዚብሄር ኣብ ልዕሊ እስራኤል ከተበርትዑ፡ እንሆ፡ ኣብ ክንዲ ኣቦታትኩም ተንሳእኩም። 15ካብ ምስዓቡ እንተ ተመለስኩም፡ ንሱ ኸኣ መሊሱ ንእስራኤል ኣብ በረኻ ይሓድጎም እሞ፡ ነዚ ህዝቢ እዚ ዅሉ ተጥፍእዎ ኣሎኹም።
   16ንሳቶም ከኣ ናብኡ ቐሪቦም በሉ፡ ኣብዚ ንማልና ደምቤታት፡ ንቘልዑና ድማ ከተማታት ክንሰርሕ፡ 17ንሕና ግና፡ ናብታ ቦታኦም ክሳዕ እነእትዎም፡ ቀቅድሚ ደቂ እስራኤል ክንከይድ ተዳሊና ኣጽዋር ሒዝና ኣሎና። ደቅና ኸኣ ብዛዕባ እቶም ኣብታ ሃገር ዝነብሩ፡ ኣብ ጽኑዓት ከተማታት ይቀመጡ። 18ደቂ እስራኤል ነፍሲ ወከፍ ረርስቱ ኽሳዕ ዝረክብ፡ ናብ ኣባይትና ኣይንምለስን። 19ርስትናስ ኣብ ክነጀው ዮርዳኖስ ብሸነኽ ምብራቕ በጺሑና እዩ እሞ፡ ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ኣብ ንየው ምሳታቶም ርስቲ ኣይንወርስን። 20ሙሴ ድማ በሎም፡ እዚ ነገርዚ እንተ ጌርኩም፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከኣ ንውግእ ኣጽዋር እንተ ሒዝኩም፡ 21-22ንጸላእቱ ድማ ካብ ቅድሚኡ ኽሳዕ ዝሰጎም፡ እታ ሃገርውን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክሳዕ እትግዛእ፡ ኲሎም ሰልፈኛታትኩም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዮርዳኖስ እንተ ተሳጊሮምሲ፡ ድሕርቲ ትምለሱ፡ ኣብ እግዚኣብሄር ኣብ እስራኤልን ከኣ ብዘይ በደል ትዀኑ፡ እዛ ሃገር እዚኣ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ርስትኹም ክትከውን እያ። 23ከምኡ እንተ ዘይገበርኩም ግና፡ እንሆ፡ ኣብ እግዚኣብሄር ሓጢኣት ገበርኩም፡ ሓጢኣትኩም ከም ዝረኽበኩም ድማ ፍለጡ። 24ንደቅኹም ከተማታት፡ ነባጊዕኩም ከኣ ደምቤታት ስርሑ፡ እቲ ኻብ ኣፍኩም ዝወጸ ድማ ግበርዎ። 25ደቂ ጋድን ደቂ ሮቤልን ንሙሴ፡ ገላዉኻ ኸምቲ ጐይታይ ዝኣዘዞ ኽገብሩ እዮም። 26ቈልዑናን ኣንስትናን መጓሰ ኣባጊዕናን ኲሉ ማልናን ኣብኡ ኣብ ከተማታት ጊልኣድ ይኹኑ። 27ገላውኻ ግና ኲላቶም ንውግእ ኣጽዋር ዝሓዙ፡ ከምቲ ጐይታይ ዝበሎ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክዋግኡ ይሳገሩ፡ ኢሎም ተዛረብዎ።
   28ሙሴ ድማ ንኻህን ኣልኣዛርን ንእያሱ ወዲ ነዌን፡ ንሓላቑ ማይ ቤት ኣቦታት ነገዳት ደቂ እስራኤልን ብዛዕባኦም ኣዘዘ። 29ሙሴ ኸኣ፡ ደቂ ጋድን ደቂ ሮቤልን ንውግእ ኣጽዋር ዝሓዙ ዅሎም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክዋግኡ፡ ምሳኻትኩም ዮርዳኖስ እንተ ተሳገሩ፡ እታ ሃገር ድማ ኣብ ቅድሜኹም እንተ ተገዝአት፡ ሽዑ ምድሪ ጊልኣድ ርስቲ ሃብዎም። 30ኣጽዋር ሒዞም ምሳኻትኩም እንተ ዘይተሳገሩ ግና፡ ኣብ ምድሪ ከነኣን ኣብ ማእከልኩም ይረስተዩ፡ በሎም። 31ደቂ ጋድን ደቂ ሮቤልን ድማ፡ ከምቲ እግዚብሄር ንገላዉኻ ዝበሎም፡ ከምኡ ንገብር። 32ንሕና ኣጽዋር ሒዝና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ንምድሪ ከነኣን ንሳገር፡ እቲ እንርስተዮ ርስቲ ኸኣ ኣብዚ ኣብ ክነጀው ዮርዳኖስ ይኹነልና፡ ኢሎም መለሱ።
   33ሙሴ ኸኣ ንኣታቶም ንደቂ ጋድን ንደቂ ሮቤልን ንፈረቓ ነገድ ምናሴ ወዲ ዮሴፍን፡ መንግስቲ ሲሆን ንጉስ ኣሞራውያን፡ መንግስቲ ዖግ ንጉስ ባሳን፡ እታ ሃገር፡ ከተማታታ ምስ ከባቢኤን፡ ናይታ ኣብ ዙርያ ዘላ ሃገር ከተማታት ድማ ሃቦም፡ 34ደቂ ጋድ ድማ፡ ዲቦንን ዓጣሮትን ዓሮዔርን፡ 35ዓጥሮት-ሾፋንን ያዕዜርን ዮግብሃን፡36ቤት-ኒምራን ቤትሃራንን፡ እተዓርዳ ከተማታት፡ ደምቤታት ኣባጊዕ ከኣ ሰርሑ። 37ደቂ ሮቤል ድማ ሔስቦንን ኤልዓለን ቂርያታዪምን፡ 38ኔቦን በዓል-ሜዖንን ሰርሑ፡ ስመን ከኣ ተለወጠ፡ ሲብማውን ሰርሑ። ነተን ዝሰርሕወን ከተማታት ከኣ ካልእ ስም ኣውጽኡለን። 39ደቂ ማኪር ወዲ ምናሴ ድማ ናብ ጊልኣድ ከይዶም ሓዝዋ፡ ነቶም ኣብኣ ዝነበሩ ኣሞራውያን ከኣ ሰጐጕዎም። 40ሙሴ ድማ ንማኪር ወዲ ምናሴ ጊልኣድ ሃቦ፡ ኣብኣ ኸኣ ተቐመጠ። 41ያኢር ወዲ ምናሴ ድማ ከይዱ ዓድታቶም ሓዘ፡ ዓድታት ያኢር ኢሉ ኸኣ ሰመየን። 42ኖባ ድማ ከይዱ ንቔናትን ኣቑሻታን ሓዛ፡ ብስሙ ኸኣ ኖባ ኣውጽኣላ።

        ዘሁልቁ   ምዕራፍ 33

   1ደቂ እስራኤል በብሰራዊቶም ብኢድ ሙሴን ኣሮንን ካብ ምድሪ ግብጺ ምስ ወጹ፡ ኣጓዕዛኦም እዚ እዩ፡ 2ሙሴ ድማ ነቲ ምውጻኦም ካብ ሰፈር ናብ ሰፈር ምጕዓዞም ብትእዛዝ እግዚኣብሄር ጸሓፎ። እቲ ኣጓዕዛኦም ከምቲ ምንቃሎም እዚ እዩ፡
   3-4በታ ቐዳመይቲ ወርሒ፡ ኣብታ ወርሒ ኸኣ ብመበል ዓሰርተው ሓሙሽተ መዓልቲ ኻብ ራዕምሌስ ነቐሉ። ግብጻውያን ነቶም እግዚኣብሄር ኣብ ማእከሎም ዝቐተሎም ኲላቶም በዅርታት ክቐብሩ ኸለዉ፡ ንኣማልኽቶም ድማ እግዚኣብሄር ምስ ፈረደሎም፡ ሽዑ ደቂ እስራኤል፡ ኲሎም ግብጻውያን እናረኣይዎም ብልዕልቲ ኢድ ጽባሕ ፋስጋ ወጹ። 5ደቂ እስራኤል ከኣ ካብ ራዕምሴስ ነቐሉ፡ ኣብ ሱኮት ከኣ ሰፈሩ። 6ካብ ሱኮት ነቒሎም ድማ፡ ኣብታ ኣብ ወሰን በረኻ ዘላ ኤታም ሰፈሩ። 7ካብ ኤታም ነቒሎም ከኣ፡ ኣብ መንጽር በዓል-ጼፎን ናብ ዘላ ጲሃ-ሒሮት ተመሊሶም፡ ኣብ መጣምቲ ሚግዶል ሰፈሩ። 8ካብ መንጽር ሃሒሮት ነቒሎም ድማ፡ ብማእከል ባሕሪ ገይሮም ናብ በረኻ ሰገሩ። ኣብ በረኻ ኤታም መገዲ ሰለስተ መዓልቲ ኸይዶም ከኣ፡ ኣብ ማራ ሰፈሩ። 9ካብ ማራ ነቒሎም ድማ፡ ናብ ኤሊም መጹ። ኣብ ኤሊም ከኣ ዓሰርተው ክልተ ዓይኒ ማይን ሰብዓ ኦም ተምርን ነበረ፡ ኣብኣ ድማ ሰፈሩ። 10ካብ ኤሊም ነቒሎም ከኣ፡ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ኤርትራ ሰፈሩ፡ 11ካብ ባሕሪ ኤርትራ ነቒሎም ድማ፡ ኣብ በረኻ ሲን ሰፈሩ። 12ካብ በረካ ሲን ነቒሎም ከኣ፡ ኣብ ዶፍቃ ሰፈሩ። 13ካብ ዶፍቃ ነቒሎም ድማ፡ ኣብ ኣሉሽ ሰፈሩ። 14ካብ ኣሉሽ ነቒሎም ከኣ፡ ኣብ ረፊዲም ሰፈሩ፡ ኣብኣ ድማ እቶም ህዝቢ ዚሰትይዎ ማይ ኣይነበረን። 15ካብ ረፊዲም ነቒሎም ድማ፡ ኣብ በረካ ሲና ሰፈሩ። 16ካብ በረካ ሲና ነቒሎም ከኣ፡ ኣብ ቂብሮት-ሃታኣባ ሰፈሩ። 17ካብ ቂብሮት-ሃታኣባ ነቒሎም ድማ፡ ኣብ ሓጼሮት ሰፈሩ። 18ካብ ሓጼሮት ነቒሎም ከኣ፡ ኣብ ሪትማ ሰፈሩ። 19ካብ ሪትማ ነቒሎም ድማ፡ ኣብ ሪሞን-ጰሬጽ ሰፈሩ። 20ካብ ሪሞን-ጰሬጽ ነቒሎም ከኣ፡ ኣብ ሊብና ሰፈሩ። 21ካብ ሊብና ነቒሎም ድማ፡ ኣብ ሪሳ ሰፈሩ። 22ካብ ሪሳ ነቒሎም ከኣ፡ ኣብ ቄሄላታ ሰፈሩ። 23ካብ ቄሄላታ ነቒሎም ድማ፡ ኣብ ከረን ሸፈር ሰፈሩ። 24ካብ ከረን ሸፈር ነቒሎም ከኣ፡ ኣብ ሓራዳ ሰፈሩ። 25ካብ ሓራዳ ነቒሎም ድማ፡ ኣብ ማቅሄሎት ሰፈሩ። 26ካብ ማቅሄሎት ነቒሎም ከኣ፡ ኣብ ታሕት ሰፈሩ። 27ካብ ታሓት ነቒሎም ድማ፡ ኣብ ታራ ሰፈሩ። 28ካብ ታራ ነቒሎም ከኣ፡ ኣብ ሚትቃ ሰፈሩ። 29ካብ ሚትቃ ነቒሎም ድማ፡ ኣብ ሓሽሞና ሰፈሩ። 30ካብ ሓሽሞና ነቒሎም ከኣ፡ ኣብ ሞሴሮት ሰፈሩ። 31ካብ ሞሴሮት ነቒሎምውን፡ ኣብ ብነያ-ዓቃን ሰፈሩ። 32ካብ ብነያ-ዓቃን ነቒሎም ድማ፡ ኣብ ሖር-ሃጊድጋድ ሰፈሩ። 33ካብ ሖር-ሃጊድጋድ ነቒሎም ከኣ፡ ኣብ ዮጥባታ ሰፈሩ። 34ካብ ዮጥባታ ነቒሎም ድማ፡ ኣብ ዓብሮና ሰፈሩ። 35ካብ ዓብሮና ነቒሎምውን፡ ኣብ ኤጽዮንጋበር ሰፈሩ። 36ካብ ኤጽዮን-ጋበር ነቒሎም ከኣ፡ ኣብ በረካ ጺን ሰፈሩ፡ ንሱ ቃዴስ እዩ። 37ካብ ቃዴስ ነቒሎም ድማ፡ ኣብ ወሰን ምድሪ ኤዶም ኣብ ዘሎ ኸረን ሆር ሰፈሩ።
   38ካህን ኣሮን ከኣ ብትእዛዝ እግዚኣብሄር ናብ ከረን ሆር ደየበ፡ ደቂ እስራኤል ካብ ምድሪ ግብጺ ኻብ ዚወጹ ኣብ መበል ኣርብዓ ዓመት ኣብ ሓምሰይቲ ወርሒ፡ ኣብታ ወርሒ ኸኣ በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ኣብኡ ሞተ። 39ኣሮን ኣብ ከረን ሆር ክመውት ከሎ፡ ወዲ ሚእትን ዕስራን ሰለስተን ዓመት ነበረ።
   40እቲ ከነኣናዊ ንጉስ ኣራድ፡ ኣብ ደቡብ ሃገር ከነኣን ዝነብር ከኣ፡ ደቂ እስራኤል ከም ዝመጹ ሰምዐ።
   41ካብ ከረን ሆር ነቒሎም ድማ፡ ኣብ ጻልሞና ሰፈሩ። 42ካብ ጻልሞና ነቒሎም ከኣ፡ ኣብ ጱኖን ሰፈሩ። 43ካብ ጱኖን ነቒሎም ድማ፡ ኣብ ኣቦት ሰፈሩ። 44ካብ ኣቦት ነቒሎም ከኣ፡ ኣብ ዒየ-ዓባሪም፡ ዶብ ሞኣብ፡ ሰፈሩ። 45ካብ ዕዪም ነቒሎም ከኣ፡ ኣብ ዲቦን-ጋድ ሰፈሩ። 46ካብ ዲቦን-ጋድ ነቒሎም ድማ፡ ኣብ ዓልሞንዲብላታዪም ሰፈሩ። 47ካብ ዓልሞን-ዲብላታዪም ነቒሎም ከኣ፡ ኣብ ኣኽራን ዓባሪም ኣብ መንጽር ኔቦ ሰፈሩ። 48ካብ ኣኽራን ዓባሪም ነቒሎም ድማ፡ ኣብ ጐላጕል ሞኣብ፡ ኣብ ዮርዳኖስ ኣብ መንጽር ያሪኮ፡ ሰፈሩ። 49ኣብ ዮርዳኖስ፡ ካብ ቤት-የሺሞት ክሳዕ ኣቤል-ሺጢም ኣብ ጐላጕል ሞኣብ ሰፈሩ።
   50እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ጐላጕል ሞኣብ፡ ኣብ ዮርዳኖስ መንጽር ያሪኮ፡ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ 51ንደቂ እስራኤል ተዛረቦም፡ በሎም ከኣ፡ ዮርዳኖስ ተሳጊርኩም፡ ናብ ምድሪ ከነኣን ምስ ኣቶኹም፡ 52ነቶም ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ዅሎም ካብ ቅድሜኹም ስጐጕዎም፡ ኲሉ ምስልታቶም ሰባብሩ፡ ኲሉ ዝፈሰሰ ምስልታቶም ሰባብሩ፡ ኲሉ በረኽቲ ቦታኦም ኣፍርሱ። 53እታ ሃገር ክትርስተይዋ ሂበኩም እየ እሞ፡ ነታ ሃገር ተረስተይዋ፡ ኣብኣውን ንበሩ። 54ነታ ምድሪ ኸከም ዓሌትኩም ብዕጭ ተማቐልዋ። ነቶም ብዙሓት ገፊሕ ርስቲ ሃብዎም፡ ነቶም ሒደት ድማ ጸቢብ ርስቲ ሃብዎም። ነፍሲ ወከፍ ኣብታ ዕጩ ዝበጽሓቶ ኣብኣ ይረስተ፡ ከከም ነገድ ኣቦታትኩም ተረስተዩ። 55ነቶም ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ኻብ ቅድሜኹም እንተ ዘይሰጐጕኩምዎም ግና፡ እቶም ካባታቶም ዘትረፍኩምዎም ኣብ ኣዒንትኹም እሾዅ፡ ኣብ መሰንገሌኹም ከኣ ዳንዴር ክዀኑኹም እዮም፡ ኣብታ እትነብርዋ ሃገር ከጨንቑኹም እዮም። 56ክኸውን ድማ እዩ፡ ከምቲ ንኣታቶም ክገብሮም ዝሓሰብኩ፡ ንኣኻትኩም ከምኡ ኽገብረኩም እየ።

        ዘሁልቁ   ምዕራፍ 34            

   1እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ 2ንደቂ እስራኤል ኣዝዞም፡ በሎም ከኣ፡ ናብ ምድሪ ከነኣን ምስ ኣቶኹም፡ እታ ንርስቲ እትበጽሓኩም ምድሪ እዚኣ እያ፡ ምድሪ ከነኣን ክሳዕ ወሰናታ። 3ሸነኽ ደቡብ ምድርኹም ካብቲ ብወገን ኤዶም ዘሎ በረኻ ጺን ይኹን እሞ፡ ናብ ደቡብ ዶብኩም ካብ ወሰን ባሕሪ ጨው ንምብራቑ ይኹን። 4ዶብኩም ብደቡብ ዓቐበት ዓቅራቢም ዞይሩ ናብ ጺን ይሕለፍ። ብደቡብ ቃዴስ-ባርኔዓ ኣቢሉ ድማ ይውጻእ። ብሓጻር-ኣዳር ወጺኡ ኸኣ ናብ ዓጽሞን ይሕለፍ። 5ካብ ዓጽሞን ከኣ እቲ ዶብ ናብ ርባ ግብጺ ይዙር፡ ናብ ባሕሪ ድማ ይውጻእ። 6ዶብ ምዕራብውን እቲ ዓብዪ ባሕርን እቲ ዶብን ይኹነልኩም። ናብ ምዕራብ ዶብኩም እዚ ይኹን። 7ናይ ሰሜን ዶብኩም ድማ እዚ ይኹን፡ ካብቲ ዓብዪ ባሕሪ ናብ ከረን ሆር ኣቢልኩም ንኣኻትኩም ምልክት ግበሩሉ። 8ካብ ከረን ሆር ክሳዕ እታ ናብ ሃማት እተእቱ ምልክት ግበሩሉ፡ እቲ ዶብ ከኣ ናብ ጸዳድ ይውጻእ። 9እቲ ዶብ ድማ ናብ ዚፍሮን ይሕለፍ እሞ ናብ ሓጻር-ዔናን ይውጻእ፡ ናይ ሰሜን ዶብኩም እዚ ይኹን። 10ናይ ምብራቕ ዶብኩም ከኣ ካብ ሓጻር-ዔናን ክሳዕ ሼፋም ኣመልክቱሉ። 11እቲ ዶብ ድማ ካብ ሼፋም ናብ ሪብላ፡ ንዓይን ብምብራቓ ይውረድ፡ እቲ ዶብ ከኣ ወሪዱ ናብ ምብራቕ ኣቢሉ ኽሳዕ ባሕሪ ኪኔሬት ይብጻሕ። 12እቲ ዶብ ክሳዕ ዮርዳኖስ ይውረድ፡ ናብ ባሕሪ ጨው ከኣ ይውጻእ። እዚኣ ምስቲ ኣብ ዙርያኣ ዘሎ ዶብ ሃገርኩም ትኹን።
   13ሙሴ ድማ ንደቂ እስራኤል ከምዚ ኢሉ ኣዘዞም፡ እታ ብዕጭ እትርስተይዋ ሃገር፡ እግዚኣብሄር ንትሽዓተ ነገድን ንፈረቓ ነገድን ክትወሃብ ዝኣዘዘ፡ እዚኣ እያ። 14እሞ ነገድ ደቂ ሮቤል ከከም ማይ ቤት ኣቦታቶም፡ ነገድ ደቂ ጋድ ድማ ከከም ማይ ቤት ኣቦታቶም ረርስቶም ሓዙ። ፈረቓ ነገድ ምናሴ ኸኣ ርስቶም ሓዙ። 15እዞም ክልተ ነገድን እዚ ፈረቓ ነገድን ኣብ ክንየው ዮርዳኖስ ናይ ያሪኮ ብሸነኽ ምብራቕ ጸሓይ ረርስቶም ሓዙ።
   16እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ 17ስም እቶም ነታ ምድሪ ንርስቲ ዝመቕሉልኩም ሰባት እዚ እዩ፡ ካህን ኣልኣዛርን እያሱ ወዲ ነዌን። 18ንምምቃል እታ ምድሪ ንርስቲ ድማ ከካብ ነገድ ሓደ ሹም ውሰዱ። 19ስም እቶም ሰባት ድማ እዚ እዩ፡ ካብ ነገድ ይሁዳ፡ ካሌብ ወዲ የፋኔ። 20ካብ ነገድ ደቂ ስምኦን፡ ሽሙኤል ወዲ ዓሚሁድ። 21ካብ ነገድ ብንያም፡ ኤሊዳድ ወዲ ኪስሎን። 22ካብ ነገድ ደቂ ዳን፡ ሹም ቡቂ ወዲ ዮግሊ። 23ካብ ደቂ ዮሴፍ፡ ካብ ነገድ ደቂ ምናሴ፡ ሹም ሓኒኤል ወዲ ኤፎድ። 24ካብ ነገድ ደቂ ኤፍሬም፡ ሹም ቄሙኤል ወዲ ሺፍጣን። 25ካብ ነገድ ደቂ ዛብሎን፡ ሹም ኤሊጻፋን ወዲ ጳርናክ። 26ካብ ነገድ ደቂ ይሳኮር፡ ሹም ጳልጢኤል ወዲ ዓዛን። 27ካብ ነገድ ደቂ ኣሴር፡ ሹም ኣሒሁድ ወዲ ሸሎሚ። 28ካብ ነገድ ደቂ ንፍታሌም፡ ሹም ጴዳህኤል ወዲ ዓሚሁድ።
   29እቶም ንደቂ እስራኤል ኣብ ምድሪ ከነኣን ርስቲ ኽመቕልዎም እግዚኣብሄር ዝኣዘዞም እዚኣቶም እዮም።

        ዘሁልቁ   ምዕራፍ 35            

   1እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ ኣብ ጐላጕል ሞኣብ ኣብ ዮርዳኖስ መንጽር ያሪኮ፡ ከምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ 2ንደቂ እስራኤል፡ ካብቲ ዝወረስዎ ርስቲ ንሌዋውያን ዝነብሩለን ከተማታት ክህብዎም፡ ኣዝዞም። ኣብ ዙርያ እተን ከተማታት ዘሎ ከባቢኤን ከኣ ንሌዋውያን ሃብዎም። 3ከተማታት ንመቐመጢ ይኹናኦም፡ እታ ኣብ ከባቢኤን ዘላ ምድሪ ድማ ንማሎምን ንጥሪቶምን ንዅሉ እንስሳኦምን ትኹን። 4እታ ንሌዋውያን እትህብዎም ኣብ ከከባቢ ኸተማታት ዘላ ምድሪ ድማ፡ ካብ መካበብያ እታ ኸተማ ብዙርያኣ፡ ምግፋሓ ሽሕ እመት ትኹን። 5ብወጻኢ ኸተማ ብሸነኽ ምብራቕ ከኣ ክልተ ሽሕ እመት፡ ብሸነኽ ደቡብ ድማ ክልተ ሽሕ እመት፡ ብሸነኽ ምዕራብ ከኣ ክልተ ሽሕ እመት፡ ብሸነኽ ሰሜን ድማ ክልተ ሽሕ እመት ስፈሩ። እታ ኸተማ ኸኣ ኣብ ማእከል ትኹን። እዚ ኸኣ ከባቢ እተን ከተማታት ይኹነሎም። 6እተን ንሌዋውያን እትህብዎም ከተማታት ድማ፡ ቀታል ነፍሲ ምእንቲ ኽሃድመለን እትህብዎ ሹድሽተ ኸተማታት መዕቈቢ ይኹና። ኣብ ልዕሊኤን ድማ ኣርብዓን ክልተን ከተማታት ሃብዎም። 7እተን ንሌዋውያን እትህብዎም ከተማታት ኲለን ኣርብዓን ሾሞንተን ከተማታት፡ መምስ ከባቢኤን ይኹና። 8ብዛዕባ እተን ካብ ርስቲ ደቂ እስራኤል እትህብዎም ከተማታት ድማ፡ ካብቶም ብዙሕ ዘለዎም ብዙሕ፡ ካብቶም ሒደት ዘለዎም ከኣ ሒደት ውሰዱ። ነፍሲ ወከፍ ከም መጠን እታ እተረስተያ ርስቱ ኻብ ከተማታቱ ንሌዋውያን ይሃብ።
   9እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛርቦ፡ 10ንደቂ እስራኤል ተዛረቦም፡ በሎም ከኣ፡ ንስኻትኩም ንዮርዳኖስ ናብ ምድሪ ከነኣን ምስ ተሳገርኩም፡ 11ብዘይ ሓሳብ ነፍሲ ዝቐተለት ቐታሊ ዝሃድመለን ከተማታት መዕቈቢ ዝዀናኹም፡ ንኣኻትኩም ከተማታት ፍለዩ። 12እቲ ቐታሊ ኣብ ቅድሚ ኣኼባ ንፍርዲ ደው ከይበለ ኸይመውት፡ እዘን ከተማታት እዚኤን ካብቲ ፈዳይ ደም መዕቈቢ ይኹናኹም። 13እተን እትህብወን ከተማታት፡ ሽድሽተ ኸተማ መዕቈቢ ይኹናኹም። 14ሰለስተ ኸተማ ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ሃቡ፡ ሰለስተ ኸተማ ኸኣ ኣብ ምድሪ ከነኣን ሃቡ፡ ከተማታት መዕቈቢ ይኹና። 15ንደቂ እስራኤል ኰነ፡ ንጓና ኸነ፡ ምሳታቶም ንዝነብር ስደተኛ ዀነ፡ ነፍሲ ወከፍ ብዘይ ፍልጠት ነፍሲ ዝቐተለ ናባታተን ክሃድም፡ እዘን ሽድሽተ ኸተማ እዚኤን መዕቈቢ ይኹና።
   16ብኣቕሓ ሓጺን እንተ ወቕዖ ግና፡ እሞ እንተ ሞተ፡ ንሱ ቐታል ነፍሲ እዩ። ቀታል ነፍሲ ኸኣ ርግጽ ይሙት። 17ወይስ ኣብ ኢድ ብዝሓዞ ክቐትል ብዝኽእል እምኒ እንተ ወቕዖ፡ እሞ እንተ ሞተ፡ ንሱ ቐታል ነፍሲ እዩ። ቀታል ነፍሲ ድማ ርግጽ ይሙት። 18ወይ ኣብ ኢዱ ብዝሓዞ ኣቕሓ ዕጨይቲ ክቐትል ብዝኽእል እንተ ወቕዖ፡ እሞ እንተ ሞተ፡ ንሱ ቐታል ነፍሲ እዩ። ቀታል ነፍሲ ኸኣ ርግጽ ይሙት። 19እቲ ፈዳይ ደም ነቲ ቐታሊ ይቕተሎ። ምስ ዝረኽቦ ባዕሉ ይቕተሎ። 20ብጽልኢ እንተ ደፍኦ ኸኣ፡ ወይ ተጸናትዩ ገለ እንተ ደርበየሉ፡ እሞ እንተ ሞተ፡ 21ወይ ጽልኢ ነይርዎ ብኢድ እንተ ወቕዖ፡ እሞ እንተ ሞተ፡ እቲ ዝወቕዖ ቐታል ነፍሲ እዩ እሞ፡ ርግጽ ይሙት። እቲ ፈዳይ ደም ነቲ ቐታሊ ምስ ዝረኽቦ ይቕተሎ።
   22-23ብጽልኢ ዘይኰነ፡ ብድንገት እንተ ደፍኦ ግና፡ ንሱ ጸላኢኡ እንተ ዘይነበረ፡ ወይ ከኣ ንኽፉኡ እንተ ዘይደለየ፡ ወይ ከይተጸናተወ ገለ ነገር እንተ ደርበየሉ፡ ወይ ከይረኣዮ ክቐትል ብዝኽእል እምኒ እንተ ደርበየሉ፡ እሞ እንተ ሞተ፡ 24ሽዑ እቲ ኣኼባ ኣብ መንጎ እቲ ወቓዕን ኣብ መንጎ እቲ ፈዳይ ደምን በዚ ሕጊ እዚ ይፍረድ፡ 25እቲ ኣኼባ ኸኣ ነት ቐታሊ ኻብ ኢድ እቲ ፈዳይ ደም የድሕኖ፡ እቲ ኣኼባ ድማ ናብታ ሃዲሙላ ዝነበረ ኸተማ መዕቈቢቱ ይምለሶ። እቲ ብቕዱስ ቅብኢ እተቐብአ ሊቀ ኻህናት ክሳዕ ዝመውት ኣብኣ ይጽናሕ። 26እቲ ቐታሊ ኻብ ዶብ እታ ዝሃደመላ ኸተማ መዕቈቢቱ እንተ ወጸ ግና፡ 27እቲ ፈዳይ ደም ከኣ ኣብ ወጻኢ ዶብ እታ ኸተማ መዕቈቢቱ እንተ ረኸቦ፡ እቲ ፈዳይ ደም ድማ ነቲ ቐታሊ እንተ ቐተሎ፡ ዕዳ ደም የብሉን። 28እቲ ቐታሊ ኽሳዕ ሞት እቲ ሊቀ ኻህናት ኣብታ ኸተማ መዕቈቢቱ ኽጸንሕ ይግብኦ ነይሩ እዩ እሞ፡ ድሕሪ ሞት እቲ ሊቀ ኻህናት ግና ናብታ ምድሪ ርስቱ ይመለስ። 29እዚ ኣብ ኲሉ እትነብርዎ ንውሉድ ወለዶኹም ሕጊ ፍርዲ ይኹነልኩም።
   30ነፍሲ ዝቐተለ ዘበለ እቲ ቐታሊ ብኣፍ ምስክር ይቀተል፡ ምስክር ሓደ ግና ንሞት ነፍሲ ምስክር ኣይኹን። 31ካብቲ ሞት ዝግብኦ ቐታሊ ጋር ነፍሲ ኣይትቀበሉ፡ ርግጽ ሞት ደኣ ይሙት። 32ስለ እቲ ናብ ከተማ መዕቈቢቱ ዝሃደመ፡ ሊቀ ኻህናት ከይሞተ ምእንቲ ናብ ዓዱ ኽምለስ ኢልኩም፡ ጋር ኣይትቀበሉ። 33ደም፡ ንሱ ነታ ሃገር የርክሳ እዩ እሞ፡ ነታ ዘሎኹምዋ ሃገር ኣይተርክስዋ። እታ ሃገር ድማ ብዛዕባ እቲ እተኻዕዋ ደም ብጀካ ደም እቲ ደም ዝኸዓወ ኣይትዕረቕን እያ። 34ኣነ እግዚኣብሄር ኣብ ማእከል ደቂ እስራኤል እሓድር እየ እሞ፡ ነታ ኣነ ኣብ ማእከላ ዝሓደራ፡ ንስኻትኩም ድማ እትነብርዋ ሃገር ኣይተርክስዋ።

        ዘሁልቁ   ምዕራፍ 36           

   1ሓላቑ ማይ ቤት ኣቦታት ዓሌት ደቂ ጊልኣድ ወዲ ማኪር፡ ወዲ ምናሴ ካብ ዓሌታት ደቂ ዮሴፍ ድማ ቀረቡ፡ ኣብ ቅድሚ ሙሴን ኣብ ቅድሚ እቶም ሹማምቲ፡ ሓላቑ ማይ ቤት ኣቦታት ደቂ እስራእልን ከኣ ተዛረቡ፡ 2በሉ ድማ፡ እግዚኣብሄር እታ ምድሪ ንደቂ እስራኤል ንርስቲ ብዕጭ ክህቦም ንጐይታይ ኣዘዞ፡ እግዚኣብሄር ድማ ንጐይታይ እታ ርስቲ ጸሎፍሓድ ሓውና፡ ነዋልዱ ኽህበን ኣዘዞ። 3ንሳተን ከኣ ናብ ገለ ኻብ ደቂ ኻልኦት ነገዳት ደቂ እስራኤል እንተ ተኣትዋ፡ ሽዑ እቲ ርስተን ካብ ርስቲ ኣቦታትና ይውሰድ፡ ናብ ርስቲ እቲ ዝኣተዋኦ ነገድ ድማ ይውሰኽ። በዚ ኸምዚ ኻብቲ ብዕጭ እተረስቴናዮ ይንከ። 4ንደቂ እስራኤል ዓመት እልልታ ምስ ኰነሎም፡ እቲ ርስተን ናብ ርስቲ እቲ ዝኣተዋኦ ነገድ ይውሰኽ፡ ሽዑ እቲ ርስተን ካብ ርስቲ ኣቦታትና ይንከ።
   5ሙሴ ድማ ከምቲ ቓል እግዚኣብሄር ንደቂ እስራኤል ከምዚ ኢሉ ኣዘዞም፡ ነገድ ደቂ ዮሴፍ እተዛረብዎ ቕኑዕ እዩ። 6እግዚኣብሄር ብናይ ኣዋልድ ጸሎፍሓድ ከምዚ ኢሉ ዝኣዘዞ ነገር እዚ እዩ፡ ናብ ዝፈተዋኦ ይተኣተዋ። ካብ ዓሌት ነገድ ኣቦታተን ጥራይ ግዳ ይተኣተዋ። 7ነፍሲ ወከፍ ኣብ ደቂ እስራኤል ኣብ ርስቲ ነገድ ኣቦታቱ ደኣ ይጽናዕ እምበር፡ ርስቲ ደቂ እስራኤል ካብ ነገድ ናብ ነገድ ኣይሕለፍ። 8ካብ ነገዳት ደቂ እስራኤል ርስቲ ዝወረሰት ዘበለት ጓል ድማ፡ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ደቂ እስራኤል ርስቲ ኣቦታቱ ምእንቲ ኽወርስ፡ ናብ ሓደ ኻብ ዓሌት ነገድ ኣቦኣ ትተኣቶ። 9ነፍሲ ወከፍ ነገድ ደቂ እስራኤል ኣብ ረርስቱ ይጽናዕ እምበር፡ እቲ ርስቲ ኻብ ነገድ ናብ ካልእ ነገድ ኣይሕለፍ።
   10ኣዋልድ ጸሎፍሓድ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ገበራ። 11ማሕላ፡ ቲርጸ፡ ሖግላ፡ ሚልካ፡ ኖዓ፡ ኣዋልድ ጸሎፍሓድ ኣብ ደቂ ሓወቦታተን ተኣትዋ። 12ኣብ ዓሌታት ደቂ ምናሴ ወዲ ዮሴፍ ተኣትዋ፡ ርስተን ድማ ኣብ ነገድ ዓሌት ኣቦአን ተረፈ።
   13እግዚኣብሄር ኣብ ጐላጕል ሞኣብ፡ ኣብ ዮርዳኖስ ናይ ያሪኮ ንደቂ እስራኤል ብሙሴ ዝኣዘዞም ትእዛዛትን ፍርድታትን እዚ እዩ።

Leave a Reply

መጽሓፍ ቅዱስ ትግርኛ
ብሉይን ሓድሽን ኪዳን
ብሉይ ኪዳን
ሓድሽ ኪዳን
መጽሓፍ ቅዱስ ትግርኛ
ብሉይን ሓድሽን ኪዳን

ብሉይ ኪዳን

ሓድሽ ኪዳን