መጽሓፍ ምሳሌ
1 2 3 4 5 6 7 8 9
10 11 12 13 14 15
16 17 18 19 20 21
22 23 24 25 26
27 28 29 30
31
መ. ምሳሌ ምዕራፍ 1
1ምስላታት ሰሎሞን፡ ወዲ ዳዊት ንጉስ እስራኤል፡
2ጥበብን ተግሳጽን ንምፍላጥ፡ ቃላት ፍልጠት ንምስትውዓል፡
3ዘለብም ተግሳጽን ጽድቅን ፍርድን ቅንዕናን ንምቕባል፡
4ነቶም ገርህታትሲ ጥበብ፡ ንመንእሰይ ድማ ፍልጠትን ጥንቃቐን ንምሃብ እዩ።
5-6እቲ ጠቢብ ንምሳሌን ትርጓሜን ዘረባ ጠቢባንን ዓሚቝ ሓሳባቶምን ከስተውዕልሲ፡ ነዚ ይስማዕ ፍልጠቱውን ይወስኽ፡ እቲ ለባም ከኣ ምኽሪ የጥሪ።
7ፍርሃት እግዚኣብሄር ንጥበብ መጀመርያኣ እዩ፡ ዓያሱ ንጥበብን ትምህርትን ይንዕቅዎ።
8-9ወደየ፡ እዚ ንርእስኻ ዘውዲ ጸጋ፡ ንኽሳድካ ከኣ ስልማት ድሪ እዩ እሞ፡ ንተግሳጽ ኣቦኻ ስምዓዮ፡ ንትምህርቲ ወላዲትካ ድማ ኣይትሕደጎ።
10ወደየ፡ ሓጥኣን እንተ ሓባበሉኻ፡ ሕራይ ኣይትበሎም።
11ንሳቶም እንተ በሉ፡ ምሳና ንዓ፡ ደም ከነፍስስሲ ነድቢ፡ ነቲ ንጹህ ብዘይ ምኽንያት መጻወድያ ነጻውደሉ፡
12ጠሪሶም ናብ ጕድጓድ ከም ዝወርዱ፡ ብህይወቶም ከለዉ ከም ሲኦል ኴንና ንውሓጦም።
13ክቡር ገንዘብ ዘበለ ኽንረክብ፡ ነባይትና በቲ ዝዘመትናዮ ኽንመልኦ ኢና።
14ዕጫኻ ምሳና ኣውድቕ፡ ናይ ኵልና ማሕፉዳ ብሓደ ይኹን፡ እንተ በሉ፡
15-16ወደየ፡ ኣእጋሮምሲ ናብ ክፉእ ይጐያ፡ ንምፍሳስ ደም ይቕልጥፋ እየን እሞ፡ መኻይዲ መገዶም ኣይትኹን፡ እግርኻስ ካብ መገዶም ደኣ ኸልክል።
17መፈንጠራ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ዅለን እተን ኣኽናፍ ዘለወን ብኸንቱ ይጻወድ።
18ንሳቶም ግና ንብገዛእ ደሞም የድብዩሉ፡ ንብገዛእ ነፍሶም ከኣ ውዲት ይገብሩሉ።
19መገዲ ነፍሲ ወከፍ ንህርፋን ረብሓ እተዋህበ ከምዚ እዩ፡ ንሳ ንነፍሲ ዋናኣ ተጥፍኣ።
20ጥበብ ኣብ ወጻኢ ትጭድር፡ ኣብ ኣደባባያት ድምጻ ተስምዕ።
21ጫውጫው ኣብ ዘለዎ ጐደና ትጽውዕ፡ ኣብ ኣፍ ደጌታት፡ ኣብ ከተማ፡ ቃላት ትዛረብ፡
22ኣቱም ዓያሱ፡ ክሳዕ መኣዝከ ዕሽነት ክትፈትዉ ኢኹም፧ መላገጽቲ ኸኣ ክሳዕ መኣዝ ላግጺ ባህ ክብሎም፡ደናቝርቲውን ፍልጠት ክጸልኡ እዮም፡
23ናብ ተግሳጸይ ተመለሱ፡ እንሆ፡ መንፈሰይ ከፈልፍለልኩም ቃላተይ ከፍልጠኩም እየ።
24ጸዊዐስ እምቢ ስለ ዝበልኩም፡ ኢደይ ዘርጊሐውን ዘስተብሃለ ስለ ዘየልቦ፡
25ኣረ ምኽረይ ዘበለ ደኣ ኣበኹም፡ ተግሳጸይ ከኣ ኣተቐበልኩምን፡
26-27ኣነውን፡ እቲ እትፍፈህዎ ክምጽእ ከሎ፡ እቲ ኣትፈርህዎ ከም ህቦብላ ኽመጽእ፡ መከራ ከም ሾምቦባ ዀይኑ ኽበጽሓኩም፡ ጸበባን ጭንቀትን ክወርደኩም ከሎ፡ ብመከራኹም ክስሕቕ እየ፡ ኣነ ከባጭወልኩም እየ።
28ሽዑ ናባይ ክምህለሉ እዮም፡ ኣነ ግና ኣይክመልሰሎምን እየ፡ ኣንጊሆም ክደልዩኒ፡ ግናኸ ኣይክረኽቡንን እዮም።
29ፍልጠት ስለ ዝጸልኡ፡ ፍርሃት እግዚኣብሄር ስለ ዘይመረጹ፡
30ምኽረይ ስለ ዘይፈተዉ፡ ንዅሉ ተግሳጸይ ስለ ዝነዓቕዎ፡
31ፍረ መገዶም ክበልዑ፡ ካብቲ ምኽሮም ከኣ ክጸግቡ እዮም።
32እወ፡ ነቶም ዓያሱ ዕልወቶም ክቐትሎም፡ ነቶም ደናቝርቲ ከኣ እቲ ሸለል ምባሎም ከጥፍኦም እዩ።
33እቲ ዝሰምዓኒ ግና ብደሓን ክነብር፡ ንኽፉእ ከይፈርህ ከኣ ክሃድእ እዩ።
መ. ምሳሌ ምዕራፍ 2
1-2ወደየ፡ እዝንኻ፡ ናብ ጥበብ ምእንቲ ከቕልብ፡ ልብኻውን ናብ ምስትውዓል ምእንቲ ኽደንን ኢልካስ፡ ንቓላተይ እንተ ተቐበልካዮ፡ ንትእዛዛተይ ከኣ ምሳኻ እንተ ኣርነብካዮ፡
3እወ፡ ነእምሮ እንተ ጸዋዕካያ፡ ንምስትውዓል ከኣ እንተ ኣድሄኻያ፡
4ከም ንብሩር ጌርካ እንተ ደሌኻያ፡ ከም ንሕቡእ መዝገብ ጌርካ ከኣ ሃለው እንተ በልካያ፡
5ሽዑ ንፍርሃት እግዚኣብሄር ከተስተውዕሎ፡ ንምፍላጥ ኣምላኽ ከኣ ክትረኽቦ ኢኻ።
6እግዚኣብሄር ጥበብ ይህብ እዩ እሞ፡ ፍልጠትን ምስትውዓልን ካብ ኣፉ እየን ዝወጻ።
7-8ንመገዲ ቕንዕና ኸዕቍባ፡ ንመገዲ እቶም ቅዱሳኑ ከኣ ክሕልዋስ፡ ነቶም ቅኑዓት ደሓን ይእርንበሎም፡ ብዘይ ጽያፍ ንዝመላለሱ ኸኣ ዋልታኦም እዩ።
9ሽዑ ጽድቅን ፍርድን ቅንዕናን፡ አረ ዅሉ ሰናይ መገዲ ኽተስተውዕል ኢኻ።
10 – ጥበብ ናብ ልብኻ ኽትኣቱ እያ፡ ፍልጠት ከኣ ንነፍስኻ ባህ ከብላ እዩ እሞ፡
11-12ካብ ክፉእ መገዲ፡ ካብቶም ቄናን ዝዛረቡ ሰባት ከተናግፈካስ፡ ምኽሪ ኽትሕልወካ፡ ምስትውዓል ከኣ ከተዕቍበካ እያ።
13ንሳቶም ብመገዲ ጸልማት ምእንቲ ኽመላለሱስ፡ ንመገዲ ቕንዕና ይሓድግዋ፡
14ንሳቶም ክፉእ ብምግባር ይሕጐሱ፡ ብቔናን ነገርውን ባህ ይብሎም።
15ንሳቶም ኣብ መገድታቶም ይጠዋውዩ፡ ቄናን መገድታት ከኣ ይኽተሉ።
16-17ካብታ ንፈታዊ ንእስነታ ዝሓደገቶ፡ ንኪዳን ኣምላኻውን ዝረስዓቶ ዘማዊት ሰበይቲ፡ ካብታ ልዙብ ዝቓላ ኣመንዝራ ከተናግፈካ እያ።
18ቤታ ናብ ሞት፡ መገዳ ከኣ ናብ ምዉታት ዘንቈልቍል እዩ እሞ፡
19ካብቶም ናብኣ ዝኣትዉ ሓደ እኳ ዝምለስ የልቦን፡ ንመገዲ ህይወትውን ኣይረኽብዋን እዮም።
20-21እቶም ቅኑዓት ኣብ ምድሪ እዮም ዝነብሩ፡ እቶም ፍጹማት ከኣ ኣባ እዮም ዝተርፉ፡ እምብኣርሲ ንስኻ ኣብታ መገዲ ሰናያት ተመላለስ፡ ንመገዲ ጻድቃንውን ሓልዋ።
22ረሲኣን ግና ካብ ምድር ኽጸንቱ፡ እቶም ጠለምቲ ከኣ ካብኣ ኽምንቁሱ እዮም።
መ. ምሳሌ ምዕራፍ 3
1-2ወደየ፡ ምንዋሕ መዓልትታትን ዓመታት ህይወትን ሰላምን ክውሰኸልካ እዩ እሞ፡ ንሕገይ ኣይትረስዓዮ፡ ልብኻውን ንትእዛዛተይ ይሓልወን።
3ሕያውነትን ሓቅን ካባኻ ኣይፈለያ፡ ኣብ ክሳድካ እሰረን፡ ኣብ ጽላት ልብኻውን ጽሓፈን።
4 ሽዑ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን ሞገስን ጽቡቕ ልቦናን ክትረክብ ኢኻ።
5ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተኣመን፡ ኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ።
6ኣብ ኵሉ መገድኻ ንእኡ ሕሰብ፡ ንሱ ከኣ ኣኻይዳኻ ከቕንዕ እዩ።
7ባዕለይ እፈልጥ ኣይትበል፡ ንእግዚኣብሄር ፍራህ፡ ካብ ክፉእ ከኣ ርሓቕ።
8እዚ ንሕምብርትኻ ፈውሲ ነዕጽምትኻውን ኣንጕዕ ክዀነካ እዩ።
9ብጥሪትካን ብዅሉ በዅሪ ፍርያትካን፡ንእግዚኣብሄር ኣኽብሮ።
10ሽዑ ቆፋፉኻ ብብዝሒ ኽመልእ፡ መጽመቝኻ ከኣ ብዀልዒ ወይኒ ክቕጸጽ እዩ፡
11-12ወደየ፡ ከምቲ ኣቦ ንዘፍቀሮ ውሉዱ ይቐጽዖ፡ ከምኡ ከኣ እግዚኣብሄር ንዘፍቀሮ ይቐጽዖ እዩ እሞ፡ ተግሳጽ እግዚኣብሄር ኣይትንዓቕ፡ እንተ ቐጽዓካ ከኣ ኣይትመረር።
13እቲ ጥበብ ዝረክብ፡ ኣእምሮውን ዘጥሪ ሰብ ብጹእ እዩ።
14ከምይሲ ኻብቲ ብሩር ዘጥሪ ንእኣ ዘጥሪ ይበልጽ፡ እቲ ብእኣ ዝርከብ ረብሓ ከኣ ካብ ጽሩይ ወርቂ ይበልጽ እዩ።
15 ካብ ዕንቍ ትኸብር፡ ኵሉ እቲ ሃረር እትብሎ ነገር እኳ ኣይመዓራረያን።
16 ኣብ የማና ነዊሕ ዕድመ፡ ኣብ ጸጋማ ከኣ ሃብትን ክብረትን ኣለዋ።
17 ጐደናኣ ጐደና ሓጐስ፡ ብዘሎ መገዳ ከኣ ሰላም እዩ።
18ንዝሕዝዋስ ኦም ህይወት እያ፡ ኣጽኒዑ ዝሕዛ ዘበለ ከኣ ብጹእ እዩ።
19እግዚኣብሄር ንምድሪ ብጥበብ ሰረታ፡ ንሰማያት ከኣ ብምስትውዓል ኣጽንዖ።
20ብፍልጠቱ መዓሙቝ ይኸፍት፡ ደበናታትውን ኣውሊ የንተብጥብ።
21ወደየ፡ ነዚአን ካብ ዓንይኻ ኣይትፍለየን፡ ንጥበብን ንምኽርን ተጠንቂቕካ ሓዘን።
22 – ንሳተን ንነፍስኻ ህይወት፡ ንኽሳድካ ከኣ ስልማት ክዀናኻ እየን።
23 ሽዑ ሃዲእካ መገድኻ ኽትከይድ፡ እግርኻውን ኣይክትዕንቀፍን ኢኻ።
24እንተ ተገምሰስካ ኣይክትብህርርን ኢኻ፡ በጥ ክትብል ኢኻ፡ ድቃስካውን ክጥዕም እዩ።
25-26እግዚኣብሄር እምንቶኻ ክኸውን፡ ኣእጋርካ ከይፍንጠራ ከኣ ክሕልወን እዩ እሞ፡ ካብቲ ናይ ድንገት ሰምባድ፡ ካብቲ ንረሲኣን ዝመጾም ጥፍኣት ኣይትሸበር።
27ኢድካ ኽትገብረሉ ዝከኣላ እንተ ዀይኑስ፡ ነቲ ዝግብኦ ሰብ ሰናይ ኣይትኽልኣዮ።
28ዝወሃብ ከሎካስ፡ ንብጻይካ፡ ኪድ እሞ ተመለስ፡ ጽባሕ ክህበካ እየ ኣይትበሎ።
29ንብጻይካ፡ ኣሚኑካ ምሳኻ ኽነብር ከሎ፡ ኣይትተናዀለሉ።
30ምስ ዘይበደለካ ሰብ ብኸምኡ ኣይትበኣስ።
31ብገፋዒ ሰብ ኣይትቕናእ፡ መገዱ ዘበለ ዅሉ ኣይትምረጽ።
32እግዚኣብሄር ነቲ ቔናን ይፍንፍኖ፡ ምስጢሩ ግና ምስቶም ቅኑዓት እዩ።
33 መርገም እግዚኣብሄር ኣብ ቤት ረሲእ እዩ፡ ንማሕደር ጻድቃን ግና ይባርኾ።
34 ንሱ ንመላገጽቲ የላግጸሎም፡ ንትሑታት ግና ጸጋ ይህቦም።
35 ጠቢባን ክብሪ ኽወርሱ እዮም፡ ዓያሱ ግና ልዕልናኦም ውርደት እዩ።
መ. ምሳሌ ምዕራፍ 4
1ኣቱም ቈልዑ፡ ተግሳጽ ወላዲ ስምዑ፡ ልቦና ኽትፈልጡ ኸኣ ኣቕልቡ።
2ጽቡቕ ትምህርቲ እህበኩም ኣሎኹ እሞ፡ ንሕገይ ኣይትሕደግዎ።
3ኣነውን ነቦይ ውሉድ፡ ንወላዲተይ ከኣ ሕጻንን ሓደ ጥራይን ነበርኩ።
4ሽዑ ኣስተምሃረኒ በለኒውን፡ ልብኻ ንቓላተይ ኣጽኒዑ ይሓዞ። ንትእዛዛተይ ሓልዎ እሞ፡ ብህይወት ክትነብር ኢኻ።
5ንጥበብ ኣጥርያ፡ ንምስትውዓል ኣጥርያ፡ ንቓል ኣፈይ ኣይትረስዓዮ፡ ካብኡውን ኣይትዘምብል።
6ኣይትሕደጋ፡ ንሳ ኸኣ ክትሕልወካ፡ ኣፍቅራ፡ ንሳውን ክተዕቍበካ እያ።
7ጥበብ ኣውራ ነገር እያ እሞ፡ ንጥበብ ኣጥርያ፡ እወ፡ ብዅሉ ጥሪትካ ንምስትውዓል ኣጥርያ፡
8ልዕል ኣብላ፡ ንሳውን ክብ ክተብለካ እያ። እንተ ሓቔፍካያ፡ ከተኽብረካ እያ።
9ኣብ ርእስኻ ዘውዲ ጸጋ ኽትደፍኣልካ፡ ዝጸበቐ ኣኽሊል ከኣ ክትህበካ እያ።
10ወደየ፡ ስማዕ፡ቃለይ ድማ ተቐበል፡ ዓመታት ዕድሜኻውን ክበዝሕ እዩ።
11ብጐደና ጥበብ መሃርኩኻ፡ ብመገዲ ቕንዕና መራሕኩኻ።
12ክትከይድ ከሎኻ፡ ስጕምትኻ ኣይክሓጽርን፡ እንተ ጐየኻውን ኣይክትዕንቀፍን ኢካ።
13ህይወትካ እያ እሞ፡ ንተግሳጽ ሓዛ፡ ኣይትሕደጋ፡ ሓልዋውን፡
14ናብ መገዲ ረሲኣን ኣይትእቶ፡ ብጐደና እቶም እኩያት ከኣ ኣይትኺድ።
15ካብኣ ርሓቕ፡ ብእኣ ኣይትሕለፍ፡ ኣግልሰላ፡ ክንየዋ ኺድ።
16-17እንጌራ ረሲእነት ይበልዑ፡ ወይኒ ዓመጻ ድማ ይሰትዩ፡ እከይ ከይገብሩ ኸኣ ኣይድቅሱን እዮም እሞ፡ ገለ እንተ ዘየውደቑስ፡ ድቃስ ካብኦም ይበርር።
18መገዲ ጻድቃን ግና ከም ብርሃን ወገግታ እያ፡ ፍጹም መዓልቲ ኽሳዕ ዝኸውን ከኣ፡ እናወሰኸት ትበርህ።
19መገዲ ረሲኣን ግና ከም ጸልማት እያ፡ እንታይ ከም ዝዕንቅፎም ኣይፈልጡን።
20ወደየ፡ ናብ ቃላተይ ኣቕልብ፡ እዝንኻ ናብ ዘረባይ ኣድንን።
21-22ንዝረኽበን ህይወቱ፡ ንብዘሎ ስጋኡ ኸኣ ፈውሱ እየን እሞ፡ ካብ ቅድሚ ዓይንኻ ኣይተርሕቀን፡ ኣብ ውሽጢ ልብኻ ዕቘረን።
23ህይወት ካብኡ እያ እትፍልፍል እሞ፡ ልዕሊ ዅሉ ንልብኻ ሓልዎ።
24ንለግመኛ ኣፍ ካባኻ ደርብዮ፡ ንውስልትና ኸናፍር ከኣ ካባኻ ኣርሕቆ።
25ኣዒንትኻ ቀኒዐን ይርኣያ፡ ቈላሕታኻውን ንቕድሚት ይጠምታ።
26ንመገዲ እግርኻ ኣቕንዓያ፡ ኵሉ ጐደናኻ ምዱብ ይኹን።
27ንየማን ወይስ ንጸጋም ኣይተግልስ፡ ንእግርካ፧ ኻብ እከይ ኣርሕቆ።
መ. ምሳሌ ምዕራፍ 5
1-2-ወደየ፡ ምኽሪ ከተጽንዕ፡ ከናፍርካውን ፍልጠት ምእንቲ ኽሕዛስ፡ ናብ ጥበበይ ኣቕልብ፡ ናብ ምስትውዓለይውን እዝንኻ ኣድንን።
3ከናፍር ኣመንዝራ ሰበይትስ መዓር ወለላ የንጠብጥብ፡ ኣፋ ኸኣ ካብ ዘይቲ ትልስልስ።
4መወዳእታኣ ግና ከም ዕረ መሪር፡ ክልተ ኣፍ ከም ዘለዎ ሴፍ ከኣ በሊሕ እዩ።
5ኣእጋራ ናብ ሞት ይወርዳ፡ ስጕምታ ናብ ሲኦል ይበጽሕ።
6ንመገዲ ህይወት ከይትረኽባስ፡ በካይዳኣ ዀብላሊት እያ እሞ፡ ኣይትፈልጥን እያ።
7ኣቱም ደቀየ፡ እምበኣርሲ ሕጂ ስምዑኒ፡ ካብ ቃላት ኣፈይ ከኣ ኣይትርሓቑ።
8መገድኻ ኻብኣ ኣርሕቕ፡ ናብ ደገ ቤታ ኣይትቕረብ።
9ክብርኻ ንኻልእ፡ ዕድሚኻውን ንጨካን ከይትህብ፡
10ብጥሪትካ ኻልኦት ከይጸግቡ፡ ፍረ ድኻምካውን ናብ ቤት ካልእ ከይሓልፍ፡
11ኣብ መጨረስታ ነፍሰ ስጋኻ ምስ ተወድአ፡ ከይተልቅስ እሞ፡
12-14ከመይከ ንተግሳጽ ጸላእክዎ፡ ልበይሲ ንዘለፋ ነዓቖ፡ ስለምንታይከ ድምጺ መምህራነይ ዘይሰማዕኩ፡ ናብቶም ዘስተምህሩንስ ኣእዛነይ ዘየድነንኩ፡ ኣብ ማእከል ማሕበርን ጉባኤን ናብ ክፉእ ዘበለ ኵሉ ንምብጻሕ ቅሩብ ተሪፉኒ ነይሩ፡ ከይትብልሲ፡ መገድኻ ካብኣ ኣርሕቖ።
15ማይሲ ኻብ ዔላኻ ደኣ፡ ካብቲ ዝፍልፍል ምንጭኻ ደኣ ስተ።
16ምንጭኻ ንወጻኢ፡ ርባታትካስ ናብ ኣደባባያትዶ ይፈስስ ኣሎ እዩ፡
17ንኣኻ ጥራይ ይኹን፡ ጓኖት ኣይካፈሉኻ።
18ምንጭኻ ይባርኽ፡ በታ ሰበይቲ ንእስነትካ ባህ ይበልካ።
19ፍትውቲ ዋላ፡ ጽብቕቲ ሜዳቝ ትዅነልካ፡ እቲ ኣጥባታ ዅሉ ግዜ የዕግብካ፡ ብፍቕራውን ወርትግ ተመሰጥ።
20ኣታ ወደይ፡ ስለምንታይ ጓና ሰበይቲ እተፍቅር፡ሰበይቲ እማትካስ እትሓቍፍ፡
21እምብኣርሲ መገዲ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ እግዚኣብሄር እዩ፡ ነኻይዳኡውን ንሱ ይምልከቶ።
22እቲ ረሲእ ብኣበሳኡ ይሕንኰል፡ በግማድ ሓጢኣቱ ኸኣ ይእሰር።
23ንሱ ሰኣን ተግሳጽ ይመውት፡ በቲ ዓብዪ ድንቍርናኡ ኸኣ ይጋገ።
መ. ምሳሌ ምዕራፍ 6
1ወደየ፡ ንብጻይካ እንተ ተውሓስካ፡ ስለ ጓና ኸኣ ኢድ እንተ ጠቓዕካ፡
2ብቓላት ኣፍካ ተትሓዝካ፡ ብቓላት ኣፍካ ተፈንጠርካ።
3ወደየ፡ ኣብ ኢድ ብጻይካ ኻብ ወደቕካስ፡ ምእንቲ ኽትግርነ፡ ከምዚ ግበር፡ ኪድ እሞ ተደፊእካ ንብጻይካ ነዝንዞ፡
4ንዓይንኻ ድቃስ፡ ንቕርኒብካ ትኽስታ ኣይትሃብ፡
5ከምቲ ሜዳቝ ካብ ኢድ ሃዳኒ ዑፍውን ካብ ኢድ ኣፈንጣሪ ዘምልጣ፡ ንርእስኻ ኣድሕን።
6ኣታ ሃካይ፡ ናብ ጻጸ ኺድ፡ መገዱ ተመልከት እሞ ጠቢብ ኩን።
7ወይ ሓለቓ ወይ ኣዛዚ የብሉን፡
8ግናኸ ቀለቡ ብሓጋይ የዳሉ፡ ምግቡ ድማ ብቐውዒ ይእክብ።
9ኣታ ሃካይ፡ ክሳዕ መኣዝ ኢኻ በጥ እትብል፡ መኣዝከ ኢኻ ኻብ ድቃስካ እትትንስእ፡
10ሓንሳእ ምድቃስ፡ ሃንሳእ ከኣ ምትካስ፡ ሓንሳእ ምእንቲ ኽትዓርፍውን ኣእዳውካ ምምስቓል፡
11ድሕርዚ ኸኣ ድኽነትካ ኸም ፈጣን መንገደኛ፡ ስእነትካ ድማ ከም ኣጽዋር እተዓጥቀ ሰብኣይ ይመጸካ።
12ሕሱም ሰብ፡ ዓመጸኛ ሰብ፡ ብወስላታ ኣፍ ይመላለስ፡
13ብዓይኑ ይጠቅስ፡ ብእግሩ ይዛረብ፡ በጻብዑ የመልክት።
14ተንኰል ኣብ ልቡ እዩ፡ ኵሉ ግዜ እከይ ይፍሕስ፡ ባእሲ ድማ ይዘርእ።
15ስለዚ ጥፍኣት ብድንገት ይመጽእ፡ ብቕጽበት ዓይኒ ይጭፍለቕ፡ ፈውሲውን ከቶ የብሉን።
16እግዚኣብሄር ዝጸልአን ሹድሽተ ነገር ኣየን፡ አረ ነፍሱ እምብዛ እትፍንፍነንሲ ሾብዓተ እየን፡
17ትዕቢተኛ ዓይኒ፡ ሓሳዊት መልሓስ፡ ንጹህ ደም ዘፍስሳ ኣእዳው፡
18እኩይ ምኽሪ እትፍሕስ ልቢ፡ እኩይ ነገር ናብ ዘበለ ዝቕልጥፋ ኣእጋር፡
19ሓሶት ዝዛረብ ሓሳዊ ምስክር፡ ኣብ መንጎ ኣሕዋት ባእሲ ዝዘርእ።
20ወደየ፡ ንትእዛዝ ኣቦኻ ሓልዎ፡ ንሕጊ ወላዲትካ ኸኣ ኣይትሕደጎ፡
21ኩሉ ግዜ ኣብ ልብኻ እሰሮ፡ ኣብ ክሳድካ ዉን ኣጥቢቕካ ሓዞ።
22-24ካብታ እክይቲ ሰበይቲ፡ ካብታ ልዙብ ዝመልሓሳ ኣመንዝራ ኽባልሃካስ፡ ትእዛዝ መብራህቲ እዩ፡ ሕጊ ኸኣ ብርሃን እዩ፡ ተግሳጽ ትምህርቲ ድማ መገዲ ህይወት እዩ እሞ፡ እንተ ኼድካ፡ ይመርሓካ፡ በጥ እንተ በልካ፡ ይሕልወካ፡ እንተ ነቓሕካ ድማ፡ የዛርበካ።
25-26ብሰሪ ኣመንዝራ ሰበይቲ ሓንቲ እንጌራ ኽሳዕ እትተርፎ ይኸውን፡ ዘማዊት ከኣ ክብርቲ ነፍሲ እያ እትሃድን እሞ፡ ንጽባቔኣ ብልብኻ ኣይትመነዮ፡ ብቘላሕታኣውን ኣይትዘርፍካ።
27ሰብዶ ሓዊ ሓቝፉስ ክዳኑ ኣይነድድን እዩ፡
28ኣብ ልዕሊ ጓህሪ ከይዱኸ፡ ኣእጋሩዶ ኣይሓርርን እዩ
29ናብ ሰበይቲ ብጻዩ ዝኣቱ ኸኣ ከምኡ እዩ፡ ዝትንክያ ከይተቐጽዐ ከቶ ኣይተርፍን።
30ሰራቒ ጠምዩ ኽዕንገል ኢሉ እንተ ሰረቐ፡ ሰብ ኣይንዓቆን እዩ፡
31እንተ ተታሕዘ ኸኣ፡ ሾብዓተ ኢድ ይዓዲ፡ ኣብ ቤቱ ዘሎ ኵሉውን ይህብ።
32እቲ ምስ ሰበይቲ ዝምንዝር ግና ልቢ የብሉን፡ ንነፍሱ ኸጥፍኣ ዝደሊ እዩ ከምዚ ዝገብር።
33ቍስልን ነውርን ይረኽቦ፡ ጸርፉ ከቶ ኣይድምሰስን።
34ቅንኢ ንሰብኣይ ብቝጥዓ የንድዶ እዩ እሞ፡ ብመዓልቲ ሕነ ኣይድንግጽን እዩ።
35ግዲ ኻሕሳ የብሉን፡ ኣብዚሕካ ውህበት እንተ ኣቕረብካሉ እኳ፡ ኣይቅበልን እዩ።
መ. ምሳሌ ምዕራፍ 7
1ወደየ፡ ንቓላተይ ሓልዎ፡ ንትእዛዛተይውን ኣባኻ ዑቘሮ።
2ንትእዛዛተይ ሓልዎ እሞ ብህይወት ክትነብር ኢኻ፡ ንሕገይውን ከም መርዓት ዓይንኻ ሓልዎ።
3ናብ ኣጸብዕካ እሰሮ፡ ኣብ ሰሌዳ ልብኻውን ጽሓፎ።
4-5ካብ ሰበይቲ እማትካ፡ ካብታ ልዙብ ቃላት እትዛረብ ጓና ሰበይቲ ምእንቲ ኽባልሃካስ፡ ንጥበብ፡ ሓብተይ ኢኺ፡ በላ። ነእምሮ ኸኣ ኣማኒተይ ኢልካ ስመያ።
6ኣብ መስኰት ቤተይ ኰይነ፡ ብዓይነ ርግቢ ኣሳጊረ ኣማዕዶኹ፡
7ኣብ ማእከል እቶም ዓያሱ ኰይነ፡ ተመልከትኩ እሞ፡ ኣብ ማእከል እቶም መንእሰይ ልቢ ዘይብሉ ጐበዝ ርኤኹ።
8ንሱ በደባባይ ኣብ ጥቓ ቐራና መገዲ ሓሊፉ፡ ናብታ ናብ ቤታ እትወስድ መገዲ ኣበለ።
9ምድሪ መስዩ፡ ጽልግልግታ ዀይኑ፡ ጸሊም ለይቲ፡ ድቕድቕ ጸልማት ነበረ።
10እንሆ ኸኣ፡ ሰበይቲ ኽትቅበሎ ወጸት፡ ክዳን ምንዝርና እተኸደነት፡ ልባ ተንኰለኛ፡
11ንሳ ህውከተናን ቀላልን እያ፡ ኣእጋራ ኣብ ቤታ ኣይዓርፉን፡
12ሓንሳእ ኣብ ኣደባብይ፡ ሓንሳእ ኣብ ዕዳጋ፡ ሓንሳእ ከኣ ኣብ ቀራና መገዲ ኣድብያ ትጸንሕ።
13ሓዘቶ ሰዓመቶውን፡ ዓይነ ዓይኑ እናጠመተት ከኣ በለቶ፡
14መስዋእቲ ምስጋና ከቕርብ ተመባጺዐ ነይረ እየ እሞ፡ ሎሚ መብጽዓይ ፈጸምኩ፡
15ስለዚ ኸኣ ክቕበለካን ገጽካ ኽደልን መጻእኩ እሞ ረኸብኩኻ።
16ኣብ ልዕሊ ዓራተይ ፍራሽ፡ ብፈትሊ ግብጺ እተጠልፈ ዝንጕርጕር ምንጻፍ ኣንጺፈሉ ኣሎኹ።
17ነቲ ምድቃሰይ ከርበ፡ ዓልወ፡ ቀረፋ ነጺገሉ ኣሎኹ።
18-20ሰብኣየይ ከረጺት ገንዘብ ኣብ ኢዱ ሒዙ፡ ነዊሕ መገሻ ከይዱ እዩ፡ ኣብ ገዛ የሎን። ወርሒ ፍጹም ብርሃን ምስ ኰነት እዩ ንገዛኡ ዝምለስ እሞ፡ ንዓ፡ ክሳዕ ዝወግሕ ብፍትወት ንርወ፡ ብናይ ፍትወት ምትሕቝቛፍ ባህ ይበለና።
21ብብዙሕ ጥበራ ኣስሓተቶ፡ ብልዙብ ከናፍራ ስሓበቶ።
22-23ከምቲ ናብ ማሕረዲ ዝዅብኰብ ብዕራይ፡ ከምቲ ዓሻ፡ ፍላጻ ንኸብዱ ኽሳዕ ዝስንጥቖ፡ ብቕጽዓት ዝእሰር፡ ከምቲ ንጥፍኣት ነፍሱ ምዃኑ ከይፈለጠ፡ ናብ መጻወድያ ዝሸብብ ዑፍ ኰይኑ ብኡብኡ ሰዓበ።
24እምብኣርሲ ደቀየ፡ ስምዑኒ፡ ናብ ዘረባ ኣፈይ ከኣ ኣቕልቡ።
25-27ንሳ ንብዙሓት ወጊኣ ኣውዲቓቶም፡ ዝቐተለቶም ከኣ መሊኦም እዮም፡ ቤታ ናብ ውሻጠ ሞት ዘውርድ፡ መገዲ ሲኦል እዩ እሞ፡ ንልብኻ ናብ ጐደናኣ ኣቢልካ ኣይተዘምብሎ፡ ብመገዳ ኣይትስሓት።
መ. ምሳሌ ምዕራፍ 8
1ጥበብ ኣይትጭድርንዶ እያ ዘላ፡ኣእምሮውን ድምጻዶ ኣይተስምዕን እያ፧
2ኣብ ጫፍ በረኽትን፡ ኣብ ቀራናታት መገድን ደው ኢላ፡
3ኣብ ጥቓ ደጌታት፡ ኣብ መእተው ከተማ፡ ኣብ ኣፍ ደጌታት ትጭድር፡
4ኣቱም ሰባት፡ ንኣኻትኩም እጽውዓኹም ኣሎኹ፡ ንደቂ ሰብ እየ ዘድህዮም ዘሎኹ።
5ኣቱም ዓያሱ፡ ኣእምሮ ተምሃሩ፡ ኣቱም ደናቝርቲ ኸኣ፡ ለብሙ።
6-7ክቡር ነገር ክዛረብ እየ፡ ከናፍረይ ከኣ ቅኑዕ ዘበለ ንምዝራብ ክኸፍት እየ፡ ኣፈይ ሓቂ ኽዛረብ እዩ፡ ንኸናፍረይ ከኣ ረሲእነትሲ ጽያፈን እዩ እሞ፡ ስምዑ።
8ኵለን ቃላት ኣፈይ ብጽድቂ እየን፡ ኣብአን ጠዋይነትን ልግምን ኣይርከብን።
9ነቲ ኣስተዎዓሊ ኵለን ትኽ ዝበላ እየን፡ ነቶም ፍልጠት ዝረከቡ ኸኣ ቅኑዓት እየን።
10-11ጥበብ ካብ ኣዕናቝ ትበልጽ እያ፡ ክቡር ዘበለ ዅሉውን ኣይመዓራረያን እዩ እሞ፡ ካብ ብሩርሲ ተግሳጽ፡ ንፍልጠትውን ካብ ሕሩይ ወርቂ ኣብሊጽኩም ተቐበልዎ።
12ኣነ ጥበብ ኣብ ልቦና እነብር፡ ሓሳብ ፍልጠት ድማ እረክብ።
13ንእግዚኣብሄር ምፍራህ ንኽፍኣት ምጽላእ እዩ፡ ኣነውን ትዕቢትን ትምክሕትን ክፉእ ኣካይዳን ቄናን ኣፍን እጸልእ እየ።
14ምኽርን ምስላጥን ናተይ እዩ፡ ኣእምሮ ኣነ እየ፡ ስልጣን ናተይ እዩ።
15ነገስታት ብኣይ ይነግሱ፡ መሳፍንቲ ብኣይ ገይሮም ጽድቂ ይሕግጉ።
16ገዛእትን ከበርቴን ብዘለዉ መኳንንቲ ምድርን ብኣይ ይገዝኡ።
17ኣነ ነቶም ዘፍቅሩኒ አፍቅሮም፡ እቶም ኣንጊሆም ዝደልዩኒ ኸኣ ይረኽቡኒ።
18ሃብትን ክብረትን ነባሪ ጥሪትን ጽድቅን ኣባይ ኣሎ።
19ፍረይ ካብ ወርቂ አረ ኻብ ጽሩይ ወርቂ ደኣ፡ ረብሓይ ከኣ ካብ ሕሩይ ብሩር ይበልጽ።
20-21ነቶም ዘፍቅሩኒ ሃብቲ ከውርሶም፡ መዝገቦም ከኣ ምእንቲ ኽመልኣሎምሲ፡ ብጐደና ጽድቂ፡ ብማእከል ቅንዕቲ መገዲ እየ ዝመላለስ።
22እግዚኣብሄር ኣብ መጀመርታ መገዱ፡ ቅድሚ እቲ ጥንታዊ ግብሩ ተገንዘበኒ።
23ካብ ዘለኣለም ካብ መጀመርያ፡ ምድሪ ከይኰነት ቈምኩ።
24ገና መዓሙቝ ከይኰነ፡ ዓይኒ ማያት ከይወሓዘ፡ ኣነ ተወለድኩ።
25ኣኽራን ከይተሰረተ፡ ቅድሚ ዀረቢት ኣነ ተወለድኩ።
26ንምድርን ንጐልጐልን ነቲ መጀመርያ መሬት ዓለምን ከይገበሮ፡
27ንሰማያት ከቝማ ኸሎ፡ ኣብኡ ነበርኩ። ንጠፈር ኣብ ልዕሊ መዓሙቝ ክዝርግሖ ኸሎ፡
28ንደበና ናብ ላዕሊ ከቝሞ ኸሎ፡ ንምንጭታት መዓሙቝ ከበርትዖ ኸሎ፡
29ማያት ካብ ትእዛዙ ኸይሓልፍሲ፡ ንባሕሪ ኽውስኖ ኸሎ፡ መሰረታት ምድሪ ኸመልክት ከሎ፡
30ሽዑ ሰራሕተኛ ዀይነ ምስኡ ነበርኩ፡ ብየዕለቱ አሓጕሶ፡ ኵሉ ግዜ ኸኣ ኣብ ቅድሚኡ እሕጐስ ነበርኩ።
31ኣብ ምድሪ ብዝነብር እሕጐስ ነበርኩ፡ ተድላይ ከኣ ብደቂ ሰብ ነበረ።
32ሕጂ ድማ ደቀየ፡ መገደይ ዝህልዉ ብጹኣን እዮም እሞ፡ ስምዑኒ።
33ጠቢባን ኩኑ፡ ተግሳጸይ ስምዑ፡ ኣይትእበይዎ።
34እቲ ኣብ ልዳት ደጌታተይ እናተጸበየ፡ ብየዕለቱ ደገኡ እናጸንዐ፡ ዝሰምዓኒ ሰብ ብጹእ እዩ።
35እቲ ዝረኽበንስ ህይወት ይረክብ እዩ እሞ፡ ካብ እግዚኣብሄር ጸጋ ይቕበል።
36እቲ ኣብ ልዕለይ ዝእብስ ግና ንነፍሱ ይጐድኣ፡ እቶም ዝጸልኡኒ ዅሎምሲ ሞት ይፈትዉ።
መ. ምሳሌ ምዕራፍ 9
1ጥበብ ቤታ ሃነጸት፡ ሾብዓተ ኣዕኑድ ጸረበት።
2ሰባብሕታ ሓረደት፡ ወይና ዘለለት፡ መኣዳውን ኣሰናደወት።
3ኣግራዳ ለኣኸት፡ ኣብቲ ኣዝዩ ዝበረኸ ስፍራ ከተማ ዀይና ትጽውዕ ኣላ፡
4ዘይለበመ እንተሎ፡ ናብዚ ይምጻእ። ነቶም ኣእምሮ ዘይብሎምውን ከምዚ ትብሎም ኣላ፡
5ንዑ፡ እንጌራይ ብልዑ፡ ዝዘለልክዎ ወይነን ስተዩ።
6ብህይወት ክትነብሩስ ዕሽነት ሕደጉ፡ ብመገዲ ምስትውዓል ከኣ ተመላለሱ።
7ንመላገጺ ዝምዕድ ንርእሱ ጸርፊ ይቕበል፡ ንረሲእ ዝግስጽ ከኣ ነውሪ ይመጾ።
8ምእንቲ ከይጸልኣካስ፡ ንመላገጺ ኣይትገስጾ፡ ንጠቢብ ገስጾ እሞ ከፍቅረካ እዩ።
9ንጠቢብ ትምህርቲ ሃቦ እሞ ወሲኹ ኽጠብብ፡ ንጻድቕ መሃሮ እሞ ፍልጠት ክውስኽ እዩ።
10መጀመርታ ጥበብ ንእግዚኣብሄር ምፍራህ እዩ፡ ነቲ ቅዱስ ምፍላጥ ከኣ ምስትውዓል እዩ።
11ዕለታትካ ብኣይ እየን ዝበዝሓ፡ ዓመታት ዕድሜኻውን ክውሰኻልካ እየን እሞ፡
12ጥበበኛ እንተ ዀንካ፡ ንርእስኻ ትጠብብ፡ መላገጺ እንተ ዀንካ፡ በይንኻ ኢኻ እትስከሞ፡ ገለ እኳ ኣይትፈልጥ እያ።
13ዓሻ ሰበይቲ ህውከተኛ እያ። ዘለባም፡ ገለ እኳ ዘይትፈልጥ እያ።
14-16ነቶም ኣቕኒዖም ዝኸዱ ሓለፍቲ መገዲ፡ ዘይለባም እንተሎ ናብዚ የግልስ፡ ኢላ ኽትጽውዖምሲ፡ ኣብ ደገ ቤታን ኣብ በረኻ ስፍራ ከተማን ኣብ መንበር ትቕመጥ። ነቲ ኣእምሮ ዘይብሉ ኸኣ፡
17ንና ስርቂ ማይ ጥዑም እዩ፡ ብሕቡእ ዝብላዕ እንጌራ ኸኣ ባህ የብል እዩ፡ ትብሎ።
18ንሱ ግና ምዉታት ኣብኡ ኸም ዘለዉ ዕዱማታውናን መዓሙቝ ሲኦል ከም ዘለዉ ኣይፈልጥን እዩ።
መ. ምሳሌ ምዕራፍ 10
1ምስላታት ሰሎሞን። ጥበበኛ ወዲ ነቦኡ የሓጕስ፡ ዓሻ ወዲ ግና መጕሃይ ኣዲኡ እዩ።
2መዝገብ ረሲእነት ገለ እኳ ኣይጠቅምን፡ ጽድቂ ግና ካብ ሞት የናግፍ።
3እግዚኣብሄር ንነፍሲ ጻድቅ ክትጠሚ ኣይሓድጋን፡ ንህርፋን ረሲእን ግና የንኰልልፎ።
4ብህክይቲ ኢድ ዝዓዪ ይደኪ ኢድ ትጕሃት ግና ተህብትም።
5እቲ ብሓጋይ ዝእክብ ጥበበኛ ወዲ እዩ፡ እቲ ብቐውዒ ዝድቅስ ግና ዘሕስር ወዲ እዩ።
6በረኸት ኣብ ልዕሊ ርእሲ ጻድቕ እዩ፡ ኣፍ ረሲኣን ግና ዓመጽ ይኽውል።
7መዘከርታ ጻድቕ ንበረኸት እዩ ስም ረሲኣን ግና ይምሽምሽ።
8ጠቢብ ዝልቡ ትእዛዛት ይቕበል፡ ዓሻ ዝኸናፍሩ ግና ይወድቕ።
9ብንጽህና ዝመላለስ ሃዲኡ ይኸይድ፡ ብጥውጥዋይ መገዲ ዝኸይድ ግና ይቕላዕ።
10ብዓይኑ ዝጠቅስ መከራ የምጽእ፡ ዓሻ ዝኸናፍሩ ግና ይወድቕ።
11ኣፍ ጻድቕ ናይ ህይወት ፈልፋሊ እዩ፡ ኣፍ ረሲኣን ግና ዓመጽ ይኸውል።
12ጽልኢ ቈየቛ የልዕል፡ ፍቕሪ ግና ንዅሉ ኣበሳ ትኽውሎ።
13ኣብ ከናፍር ለባም ሰብ ጥበብ ትርከብ፡ በትሪ ግና ንዝባን እቲ ልቢ ዘይብሉ እዩ።
14ጠቢባንሲ ፍልጠት ይእርንቡ፡ ኣፍ ዓሻ ግና ናብ ጥፍኣት ቀረባ እዩ።
15ንሃብታም እቲ ሃብቱ ጽኑዕ ከተማኡ እዩ፡ ንድካ ግና እቲ ድኽነቱ ጥፍኣቱ እዩ።
16ዕዮ ጻድቕ ንህይወት፡ እቶት ረሲእ ግና ንሓጢኣት እዩ።
17ምዕዶ ዝሕሉ ኣብ መገዲ ህይወት እዩ፡ ተግሳጽ ዝኣቢ ግና ይስሕት።
18ጽልኢ ዝሓብእ ሓሰውቲ ኸናፍር ኣለዋኦ፡ ሕሜት ዝዝርግሕ ከኣ ዓሻ እዩ።
19ብዙሕ ዘረባ ኣብ ዘለዎ ኣብኡ ኣበሳ ኣይሰኣኖን፡ ከናፍሩ ዝገትእ ግና ለባም እዩ።
20ልሳን ጻድቕ ሕሩይ ብሩር እዩ፡ ልቢ ረሲኣን ግና ፍረ የብሉን።
21ከናፍር ጻድቕ ንብዙሓት ይጓስያ፡ ዓያሱ ግና ስኣን ልቢ እዮም ዝሞቱ።
22በረኸት እግዚኣብሄር የሃብትም፡ ሽጋርውን ገለ ኣይውስኸሉን።
23ንዓሻ ኽፉእ ምግባር ቃዛኡ እዩ፡ ጥበብ ከኣ ንለባም ከምኡ እያ።
24ንረሲእ እቲ ዝፈርሆ ነገር ይመጾ፡ ንጻድቃን ግና እተመነይዎ ይወሃቦም።
25ህቦብላ ምስ ዝሓልፍ፡ እቲ ረሲእ የሎን፡ ጻድቕ ግና ንዘለኣለም ዝነብር መሰረት እዩ።
26ከም መጺጽ ንስኒ፡ ከም ትኪ ኸኣ ንዓይኒ፡ ሃካይ ንለኣኽቱ ከምኡ እዩ።
27ንእግዚኣብሄር ምፍራህ ዕድመ የንውሕ፡ ዓመታት ረሲእ ግና ኽሓጽራ እየን።
28ትጽቢት ጻድቃን ደስታ እዩ፡ ተስፋ ረሲኣን ግና ክትጠፍእ እያ።
29መገዲ እግዚኣብሄር ንንጹህ እምባኡ፡ ንገበርቲ እከይ ግና ጥፍኣቶም እያ።
30ጻድቕ ከቶ ኣይናወጽን፡ ረሲኣን ግና ኣብታ ሃገር ኣይነብሩን እዮም።
31ኣፍ ጻድቕ ጥበብ የውጽእ፡ ልግመኛ ልሳን ግና ትቝረጽ።
32ከናፍር ጻድቃን ነቲ ዘሓጕስ ይፈልጣኦ፡ ኣፍ ረሲኣን ግና ልግመኛ እዩ።
መ. ምሳሌ ምዕራፍ 11
1ሓሳዊ ሚዛን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ፍንፉን እዩ፡ ቅኑዕ ሚዛን ግና ባህ የብሎ።
2ትዕቢት እንተ መጸ፡ ውርደት ከኣ ይመጽእ፡ ጥበብ ግና ምስቶም ትሑታት እያ።
3ነቶም ቅኑዓት ንጽህናኦም ይመርሖም፡ ነቶም ጠለምቲ ግና ልግሞም የጥፍኦም።
4ብመዓልቲ ቝጥዓ ሃብቲ ኣይተቅምን፡ ጽድቂ ግና ካብ ሞት የናግፍ።
5ንፍጹም ሰብ እቲ ጽድቁ መገዲ የቕንዓሉ፡ ንረሲእ ግና ረሲእነቱ የውድቖ።
6ነቶም ቅኑዓት ጽድቆም የናግፎም፡ ነቶም ጠለምቲ ግና ክፍኣቶም ይሕዞም።
7ረሲእ እንተ ሞተ፡ ተስፋኡ ይጠፍእ፡ ትጽቢት ክፉኣትውን ይጠፍእ።
8ጻድቕ ካብ ጸበባ ይድሕን፡ ረሲእ ድማ ኣብ ክንዳኡ ይኸውን።
9እቲ ግቡዝ ንብጻዩ ብኣፉ የጥፍኦ፡ ጻድቃን ግና ሳላ ፍልጠት ይናገፉ።
10ጻድቃን ጽቡቕ እንተ ረኸቡ፡ ከተማ ትሕጐስ፡ ረሲኣን እንተ ጠፍኡ ኸኣ እልልታ ይኸውን።
11ከተማ ሳላ በረኸት ቅኑዓት ልዕል ትብል፡ ብኣፍ ረሲኣን ግና ትግልበጥ።
12እቲ ንብጻዩ ዝንዕቕ ኣእምሮ የብሉን፡ ለባም ግና ስቕ ይብል።
13እናሓመየ ዝዘውርሲ ምስጢር ይቐልዕ፡ እቲ እሙን ልቢ ዘለዎ ግና ንነገር ይስውሮ።
14ጥበበኛ ምምራሕ ኣብ ዘይብሉስ፡ ህዝቢ ይወድቕ፡ ብምብዛሕ መኸርቲ ግና ደሓን ይርከብ።
15ንጓና ዝወሓስ መከራ ይመጾ፡ ውሕስነት ዝጸልእ ግና ህዱእ እዩ።
16ውቅብቲ ሰበይቲ ክብረት ትረክብ፡ ሓያላት ከኣ ሃብቲ ይረኽቡ።
17ርሕሩሕ ሰብ ንነፍሱ ጽቡቕ ይገብረላ፡ ጨካን ግና ንብገዛእ ስጋኡ ይጐድኦ።
18ረሲእ ዘታልሎ እቶት የእቱ፡ ጽድቂ ዝዘርእ ግና ኡነተኛ ውሬታ ኣለዎ።
19ጽድቂ ናብ ይህወት ይመርሕ፡ ንኽፉእ ዝስዕብ ግና ሞት የዳሉ።
20እቶም ጠዋይ ዝልቦም ኣብ እግዚኣብሄር ፍንፉናት እዮም፡ እቶም ብመገዶም ፍጹማት ግና የሓጕስዎ።
21ኢድ ንኢድ፡ እቲ ሕሱም ከይተቐጽዐ ኣይተርፍን፡ ዘርኢ ጻድቃን ግና ከምልጡ እዮም።
22መልክዐኛ ሰበይቲ ብዘይ ኣእምሮስ፡ ከም ኣብ ኣፍንጫ ሓሰማ እተሰቝረ ቐለቤት ወርቂ እያ።
23ድልየት ጻድቃን ሰናይ ጥራይ እዩ፡ ትጽቢት ረሲኣን ግና መዓት እዩ።
24ገለ ይብትን እሞ ይውሰኸሉ። ገለ ኸኣ ብዘይግባእ ይቝጥብ፡ ኣዝዩ ኸኣ ይነዲ።
25ለጋስ ነፍሲ ኣዝያ ትጸግብ፡ እቲ ዘርዊ ኸኣ ንርእሱ ይረዊ።
26ነቲ እኽሉ ዝዓቍር ሰብ ህዝቢ ይረግሞ፡ በረኸት ግና ርእሲ እቲ እኽሉ ዝሸይጥ ይዓስል።
27ሰናይ ዝደሊ ሞገስ ይደሊ፡ እከይ ዝደሊ ግና ክመጾ እዩ።
28ብሃብቱ ዝእመን ይወድቕ፡ ጻድቃን ግና ከም ቈጽሊ ይልምልሙ።
29እቲ ንቤት ዝገላብጥሲ ንፋስ ይወርስ፡ ዓሻ ኸኣ ነቲ ጥበበኛ ዝልቡ ባርያኡ ይኸውን።
30ፍረ ጻድቕ ኦም ህይወት እዩ። ጥበበኛ ኸኣ ነፍሳት ይረብሕ።
31እንሆ፡ እቲ ጻድቕሲ ኢዱ ኣብ ምድሪ ይፍደ፡ እቲ ረሲእን ሓጥእን ደኣ ኽንደይ ዝገደደ።
መ. ምሳሌ ምዕራፍ 12
1ተግሳጽ ዝፈቱ ፍልጠት ይፈቱ፡ መቕጻዕቲ ዝጸልእ ግና ዓሻ እዩ።
2ደጊ ሰብ ካብ እግዚኣብሄር ሞገስ ይቕበል፡ ተንኰለኛ ግና ይዅንኖ።
3ሳላ ረሲእነት ዝቐውም ሰብ የልቦን፡ ሱር እቶም ጻድቃን ግና ምንቕ ኣይብልን።
4ደጊ ሰበይቲ ዘውዲ ሰብኣያ እያ፡ እታ እተነውር ግና ኣብ ኣዕጽምቱ ኸም ቍንቍነ እያ።
5ሓሳብ ጻድቃን ቅኑዕ እዩ፡ ምኽሪ ረሲኣን ግና ጥበራ እዩ።
6ዘረባ ረሲኣን ንምፍሳስ ደም የድቢ፡ ኣፍ እቶም ቅኑዓት ግና የድሕኖም።
7እቶም ረሲኣን ይግልበጡ እሞ ኣይርከቡን፡ ቤት ጻድቃን ግና ይቐውም።
8ሰብኣይ ብመጠን ፍልጠቱ እዩ ዝነኣድ፡ ቄናን ዝልቡ ግና ይንዓቕ።
9ካብቲ እንጌራ ዘይብሉ ኽብረት ዝድልስ፡ እቲ ዘይምርኡይን ሓደ ግዙእ ዘለዎን ይሓይሽ።
10ጻድቕ ንነፍሲ እንስሳኡ ይርሕርሓሉ፡ ልቢ ረሲኣን ግና ጨካን እዩ።
11ምድሩ ዝወላውል ሰብ እንጌራ ይጸግብ፡ ንኸንቱነት ዝኽተል ግና ኣእምሮ የብሉን።
12ረሲእ ነቲ ወጽመድ እኩያት ሃረር ይብሎ፡ ሱር ጻድቃን ግና ፍረ ይህብ።
13እኩይ ሰብ ብሓጢኣት ከናፍሩ ይጥለፍ፡ ጻድቕ ግና ካብ መከራ ይመሉቝ።
14ሰብ ብግብረ ኣፉ ሰናይ ይጸግብ፡ ከም ተግባር ኣእዳዉ ኸኣ ክፍደ እዩ።
15እቲ ዓሻ፡ መገዱ ኣብ ኣዒንቱ ቕንዕቲ እያ፡ ጥበበኛ ግና ምኽሪ ይሰምዕ።
16ኵራ ዓሻ ብኡብኡ ይፍለጥ፡ ለባም ሰብ ግና ጸርፊ ይሓብእ።
17ሓቂ ዝዛረብ ቅንዕና የውሪ፡ ሓሳዊ ምስክር ግና ጥበራ።
18ከም ዝቘርጽ ሰይፊ ገይሩ ዝዛረብ ሰብ ኣሎ፡ መልሓስ እቶም ጠቢባን ግና ጥዕና እዩ።
19ሓቀኛ ኸንፈር ንሓዋሩ ትነብር፡ ሓሳዊት መልሓስ ግና ንቕጽበት ዓይኒ ጥራይ እያ።
20እቶም እከይ ዝሓስቡ ኣብ ልቦም ጥልመት ኣሎ፡ እቶም ሰላም ዝመኽሩ ግና ደስታ ኣለዎም።
21ንጻድቕ ገለ ኽፉእ ኣይረኽቦን፡ ረሲኣን ግና ሕሰም መሊእዎም እዩ።
22ሓሰውቲ ኸናፍር ኣብ እግዚኣብሄር ፍንፉናት እየን፡ እቶም ሓቂ ዝገብሩ ግና የሓጕስዎ።
23ለባም ሰብ ፍልጠቱ ይሓብእ፡ልቢ እቶም ዓያሱ ግና ዕሽነት የውሪ።
24ኢድ ትጉሃት ክትገዝእ እያ፡ እታ ሃካይ ግና ክትግብር እያ።
25እቲ ኣብ ልቢ ሰብ ዝሓደረ ጓሂ ንእኡ ይጸቕጦ፡ ሰናይ ቃል ግና ባህ የብሎ።
26ጻድቕ ንብጻዩ መገዲ ይሕብሮ፡ ንረሲኣን ግና መገዶም ተጋግዮም።
27ሃካይ ነቲ ዝሃደኖ ኣይጠብሶን፡ ትግሃት ግና ንሰብ ክቡር ገንዘብ እያ።
28ኣብ መገዲ ጽድቂ ህይወት ኣላ፡ ኣብ መተሓላለፊኣ ኸኣ ሞት የልቦን።
መ. ምሳሌ ምዕራፍ 13
1ለባም ውሉድ ተግሳጽ ኣቦኡ ይሰምዕ፡ መላገጺ ግና መግናሕቲ ኣይሰምዕን።
2ሰብ ብፍረ ኣፉ ሰናይ ይስሰ፡ ነፍሲ እቶም ጠለምቲ ግና ግፍዒ ትምገብ።
3ኣፉ ዝሕሉ ህይወቱ ይባልህ፡ ከናፍሩ ጋህ ዘብልግና ጥፍኣት ይረኽቦ።
4ነፍሲ ሃካይ ሃረር ትብል ኣላ እሞ ገለ ኣይትረክብን፡ ነፍሲ ትጉሃት ግና ኣዝያ ትጸግብ።
5ጻድቕ ንዘረባ ሓሶት ይጸልኦ፡ ረሲእ ግና ይንውርን የነውርን።
6ጽድቂ ነቲ ብመገዱ ቕኑዕ ዝዀነ ትሕልዎ፡ ረሲእነት ግና ንሓጥእ የውድቖ።
7ገለ ዘይብሉስ ንርእሱ ሃብታም ዘምስል ኣሎ፡ ብዙሕ ገንዘብ ከለዎስ፡ ንርእሱ ድኻ ዘምስል ኣሎ።
8ሃብታም ብገንዘቡ ንህይወቱ ይብጀዋ፡ ድኻ ግና ዘፈራርሆ የብሉን።
9ብርሃን ጻድቃን ሕጉስ እዩ፡ መብራህቲ ረሲኣን ግና ክጠፍእ እዩ።
10ካብ ትዕቢት ባእሲ ጥራይ እዩ ዝመጽእ፡ ጥበብ ግና ምስቶም ምኽሪ ዝቕበሉ እያ።
11ብኸምኡ እተረኽበ ገንዘብ እናጐደለ ይኸይድ፡ ብኢድ ዝእከብ ግና እናበዝሐ ይኸይድ።
12ነዊሕ ትጽቢት ንልቢ የማህምኖ፡ እተፈጸመ ድሌት ግና ኦም ህይወት እዩ።
13ነቲ ቓል ዝንዕቆ ንነፍሱ የጥፍኣ፡ ነቲ ትእዛዝ ዝፈርሆ ግና ክከሓስ እዩ።
14ካብ ወጽመድ ሞት ምእንቲ ኸተምልጥሲ፡ ሕጊ ጠቢብ ናይ ህይወት ፈልፋሊ እዩ።
15ጽቡቕ ምስትውዓል ሞገስ ይህብ፡ መገዲ ጠለምቲ ግና ተራር እያ።
16ኣእምሮኛ ሰብ ብምስትውዓል ይዓዪ፡ ዓሻ ግና ዕሽነት ይዝርግሕ።
17ረሲእ ልኡኽ ኣብ እከይ ይወድቕ፡ እሙን መልእኽተኛ ግና ጥዕና እዩ።
18ነቲ ተግሳጽ ዘይቅበል ሰብ ድኽነትን ነውርን ይጸንሖ፡ መግናሕቲ ዝቕበል ግና ይኸብር።
19እተፈጸመ ድሌት ንነፍሲ ጥዑም እዩ፡ዓያሱ ግና ካብ እከይ ምርሓቕ ጽያፎም እዩ።
20ምስ ጠቢባን ዝመላለስ ጠቢብ ይኸውን፡ ምስ ዓያሱ ዝመላለስ ግና ሕሱም ይኸውን።
21ንሓጥኣን ሕሰም የባርሮም፡ ጻድቃን ግና ብሰናይ ይፍደዩ።
22ደጊ ሰብ ንደቂ ደቁ የውርሶም፡ ሃብቲ ሓጥእ ግና ንጻድቕ ይዕቈረሉ።
23ድኻታት ዝሓረስዎ በዱ ብዙሕ ሲሳይ ይርከቦ፡ ሰኣን ቅንዕና ዝጠፍኡ ግና ኣለዉ።
24ብሸቦጥ ዘይገርፍ ንውሉዱ ይጸልኦ፡ ዘፍቅሮ ግና ኣንጊሁ ይቐጽዖ።
25ጻድቕ ክሳዕ ዝጸግብ ይበልዕ፡ ከብዲ ሓጥኣን ግና ይጠሚ።
መ. ምሳሌ ምዕራፍ 14
1ለባም ሰበይቲ ቤታ ትሃንጽ፡ ዓሻ ግና ብገዛእ ኢዳ ተፍርሶ።
2ብቕንዕናኡ ዝመላለስ ንእግዚኣብሄር ይፈርሆ፡ መገዱ ዘጐብጥ ግና ይንዕቆ።
3ኣብ ኣፍ ዓሻ ሸቦጥ ትዕቢት ኣሎ፡ ንጠቢባን ግና ከናፍሮም ይሕልውዎ።
4ብዕራይ ኣብ ዘይብሉ መብልዕ ማል ጥራዩ እዩ፡ ብዙሕ ሲሳይ ግና ብሓይሊ ብዕራይ እዩ።
5እሙን ምስክር ኣይሕሱን፡ ሓሳዊ ምስክር ግና ሓሶት የውስእ።
6መላገጺ ንገንዘብ ይደልያ እሞ ኣይረኽባን፡ ነእምሮኛ ግና ፍልጠት ኣይሽግሮን።
7ካብ ዓሻ ርሓቕ፡ ኣብኡ ኸናፍር ፍልጠት ኣይትረክብን ኢኻ።
8ጥበብ እቲ ለባምሲ መገዱ ምፍላጥ እዩ፡ ዕሽነት እቶም ዓያሱ ግና ጥበራ እዩ።
9እቶም ዓያሱ ብሓጢኣት ይዋዘዩ፡ ኣብ ማእከል እቶም ቅኑዓት ግና ጽቡቕ ፍቓድ ኣሎ።
10ልቢ ንምረቱ ባዕሉ ይፈልጦ፡ ኣብ ሓጐሱ ኸኣ ጓና ኣይሕወስን።
11ቤት ረሲኣን ይዓኑ፡ ድንኳን ቅኑዓት ግና ይዕምብብ።
12ንሰብ ቅንዕቲ ትመስሎ መገዲ ኣላ፡ መወዳእታኣ ግና መገዲ ሞት እዩ።
13ልቢ እናሰሓቕካውን ይጉሂ እዩ፡ መወዳእታ ሓጐስ ከኣ ሓዘን እዩ።
14እቲ ብልቡ ዝዓሉ ብመገዱ ይጸግብ፡ ደጊ ሰብ ድማ ካብ ርእሱ እዩ።
15ገርሂ ሰብ ንዅሉ ቓል ይኣምን፡ ለባም ግን ንስጉምቱ ይጥንቀቐለን።
16ጠቢብ ይፈርህ ካብ እከይ ድማ ይርሕቕ፡ ዓሻ ግና ደፋርን ኣማኒ ርእሱን እዩ።
17ኰራዪ ሰብ ዕሽነት ይገብር፡ ተንኰለኛ ኸኣ ይጽላእ።
18እቶም ደናቝርቲ ዕሽነት ይርስተዩ፡ ለባማት ግና ፍልጠት ዘውዶም እዩ።
19እቶም እኩያት ኣብ ቅድሚ ሰናያት፡ ረሲኣን ከኣ ኣብ ደጌታት ጻድቃን ይደኑ።
20ንድኻ ብጻዩ እኳ ይጸልኦ፡ ፈተውቲ ሃብታም ግና ብዙሓት እዮም።
21እቲ ንብጻዩ ዝንዕቕ ሓጢኣት ይገብር፡ ንድኻ ዝርሕርሓሉ ግና ብጹእ እዩ።
22እቶም እከይ ዝሓስቡ ኣይጋገዩንዶ እዮም፧ ምሕረትን ሓቅን ግና ነቶም ሰናይ ዝሓስቡ እዩ።
23ኣብ ዕዮ ዘበለ ረብሓ ኣሎ፡ ዘረባ ኸናፍር ግና ናብ ረሲእነት ጥራይ የብጽሕ።
24ሃብቲ ንጠቢባን ዘውዶም እዩ፡ ዕሽነት እቶም ዓያሱ ግና ኵሉ ግዜ ዕሽነት እዩ።
25ሓቀኛ ምስክር ነፍሳት የድሕን፡ ሓሶት ዝዛረብ ግና ምጥባር ጥራይ እዩ።
26ጽኑዕ እምንቶ ኣብ ምፍራህ እግዚኣብሄር እዩ፡ ንደቁ ኸኣ ጸግዒ ይዀኖም።
27ካብ ወጽመድ ሞት ከተምልጥሲ፡ ፍርሃት እግዚኣብሄር ናይ ህይወት ፈልፋሊ እዩ።
28ምብዛሕ ህዝቢ ክብሪ ንጉስ እዩ፡ምውሓድ ህዝቢ ግና ጥፍኣት መስፍን እዩ።
29እቲ ንዅራ ደንጓዪ ብዙሕ ኣእምሮ ኣለዎ፡ ኰራዪ ግና ዕሽነት ይገልጽ።
30ዓቃል ልቢ ንስጋ ህይወቱ እዩ፡ ቅንኢ ግና ነዕጽምቲ ቝንቍኔኡ እዩ።
31እቲ ንድኻ ዝጭቍን ንፈጣሪኡ ይጸርፍ፡ ንስኡን ዝርሕርሓሉ ግና የኽብሮ።
32ረሲእ ብእከዩ ይግምጠል፡ ጻድቕ ግና ኣብ ሞት እኳ ጸግዒ ኣለዎ።
33ጥበብ ኣብ ልቢ ኣእምሮኛ ትሓድር፡ ኣብ ውሽጢ ዓያሱ ዘሎ ግና ይግለጽ።
34ጽድቂ ንህዝቢ ልዕል የብሎ፡ ሓጢኣት ግና ውርደት ህዝብታት እዩ።
35ሞገስ ንጉስ ንለባም ጊልያ እዩ፡ ቍጥዓኡ ግና ነቲ ዘነውር እዩ።
መ. ምሳሌ ምዕራፍ 15
1ልኡም ምላሽ ንቝጥዓ የህድኦ፡ ተሪር ቃል ግና ኵራ የልዕል።
2ልሳን ጠቢባን ፍልጠት የንጠብጥብ፡ ኣፍ ዓያሱ ግና ዕሽነት ይፍልፍል።
3ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ኣብ ኵሉ ስፍራ እየን፡ ንእኩያትን ንሰናያትን ከኣ ይቋመታኦም።
4ልዝብቲ ልሳን ከም ኦም ህይወት እያ፡ ቄናን መንፈስ ግና ንመንፈስ ትሰብሮ።
5ዓሻ ንተግሳጽ ኣቦኡ ይንዕቆ፡ ዘለፋ ዝቕበል ግና ኣእምሮኛ ይኸውን።
6ኣብ ቤት ጻድቕ ብዙሕ መዝገብ ኣሎ፡ ኣብ እቶት ረሲኣን ግና ህውከት ኣሎ።
7ከናፍር ጠቢባን ፍልጠት ይዝርግሓ፡ ልቢ እቶም ዓያሱ ግና ኣይከምኡን እዩ።
8መስዋእቲ ረሲኣን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ፍንፉን እዩ፡ ጸሎት ቅኑዓት ግና ባህ የብሎ።
9እግዚኣብሄር ንመገዲ ረሲኣን ይፍንፍኖ፡ ጽድቂ ንዝስዕብ ግና የፍቅሮ።
10መገዲ ንዝሓድግ ብርቱዕ መቕጻዕቲ ይወርዶ፡ ተግሳጽ ዝጸልእ ከኣ ይመውት።
11ሲኦልን መዓሙቕን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እዩ፡ ልቢ ሰብ ግዳ ኽንደይ ኣዝዩ።
12መላገጺ ተግሳጽ ኣይፈቱን፡ ናብ ጠቢባን ኣይከይድን።
13ሕጉስ ልቢ ንገጽ የብርሆ፡ ልቢ እንተ ጐሃየ ግና መንፈስ ይስበር።
14ልቢ ኣእምሮኛ ፍልጠት ይደሊ፡ ኣፍ ዓያሱ ግና ዕሽነት ይምገብ።
15ኵለን ዕለታት እቲ ሕዙን ክፉኣት እየን፡ ሕጉስ ልቢ ዘለዎ ግና ኵሉ ግዜ ደስ ዘብል መኣዲ እዩ።
16ካብ ዓብዪ መዝገብ ምስ ህውከትሲ፡ ሒደት ምስ ፍርሃት እግዚኣብሄር ይሓይሽ።
17ካብ ስቡሕ ብዕራይ ምስ ጽልኢ፡ ጻሕሊ ሓምሊ ምስ ፍቕሪ ይሓይሽ።
18ኰራዪ ሰብ ቈየቛ የልዕል፡ ዓቃል ግና ባእሲ የህድእ።
19ጐደና ሃካይ ከም ሓጹር እሾዅ እዩ፡ መገዲ ቕኑዓት ግና እተደላደለት እያ።
20ጥበበኛ ውሉድ ነቦኡ የሓጕሶ፡ ዓሻ ሰብ ግና ንወላዲቱ ይንዕቃ።
21ዕሽነት ነቲ ልቢ ዘይብሉ ሰብ ደስታ እዩ፡ ለባም ግና ትኽ ኢሉ ይኸይድ።
22ኣብቲ ምኽሪ ዘይብሉ፡ ህቃኔታት ከንቱ ይኸውን፡ ኣብቲ መኸርቲ ዝበዝሕዎ ግና ይጸንዕ።
23ሰብ ብምላሽ ኣፉ ይሕጐስ፡ እወ፡ ብግዜኡ ዝዝረብ ቃል ክንደይ ጽቡቕ እዩ።
24ለባም ሰብ፡ ካብቲ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ሲኦል ክርሕቕሲ፡ መገዲ ህይወት ናብ ላዕሊ ትመርሖ።
25እግዚኣብሄር ንቤት ዕቡያት ይምሕዎ፡ ንዶብ መበለት ግና የቝሞ።
26እኩይ ሓሳባት ኣብ እግዚኣብሄር ፍንፉን እዩ፡ ልኡም ቃላት ግና ኣብ ቅድሚኡ ንጹህ እዩ።
27እቲ ረብሓ ዝሃርፍ ንቤቱ ይህውኻ፡ መማለጃ ዝጸልእ ግና ብህይወት ይነብር።
28ልቢ ጻድቕ ዝምልሶ ይሓስብ፡ ኣፍ ረሲኣን ግና ሕሰም ይፍልፍል።
29እግዚኣብሄር ነቶም ረሲኣን ርሑቖም እዩ፡ ንጸሎት ጻድቃን ግና ይሰምዖ።
30ብሩህ ቈላሕታ ንልቢ የሓጕሶ፡ ብስራት ነዕጽምቲ የስብሖ።
31እታ ናብ ህይወት ዝመርሕ ተግሳጽ እትሰምዕ እዝኒ ኣብ ማእከል ጠቢባን ትነብር።
32እቲ ተግሳጽ ዝኣቢ ንነፍሱ ይንዕቃ፡ ዘለፋ ዝሰምዕ ግና ይልብም።
33ፍርሃት እግዚኣብሄር ናይ ጥበብ ትምህርቲ እዩ፡ ንኽብረት ከኣ ትሕትና ትቕድማ።
መ. ምሳሌ ምዕራፍ 16
1ሰብ ብልቡ ሓሳባት የዳሉ፡ መልሓስ እትመልሶ ግና ካብ እግዚኣብሄር እዩ።
2ሰብሲ ኵሉ መገዱ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ንጹህ እዩ፡ መናፍስቲ ዝመዝን ግና እግዚኣብሄር እዩ።
3ተግባርካ ንእግዚኣብሄር ወፍዮ፡ሽዑ ሓሳባትካ ክቀውም እዩ።
4እግዚኣብሄርሲ ኵሉ ንምዱብ ነገር፡ ከምኡውን ንረሲእ ንመዓልቲ ሕሰም ፈጠሮ።
5ብልቡ ዝዕበ ዘበለ ዅሉ ኣብ እግዚኣብሄር ፍንፉን እዩ፡ ኢድ ብኢድ ከይተቐጽዐ ኣይተርፍን።
6ብምሕረትን ብሓቅን ስሬት ኣበሳ ይርከብ፡ ሰብውን ብፍርሃት እግዚኣብሄር ካብ እከይ ይርሕቕ።
7እግዚኣብሄር ብመገዲ ሓደ ሰብ ባህ እንተ በሎ፡ ነቶም ጸላእቱ እኳ ምስኡ ብሰላም የንብሮም።
8ካብ ብዙሕ እቶት ምስ ዓመጻ፡ ሒደት ምስ ጽድቂ ይሓይሽ።
9ልቢ ሰብ መገዱ ይምድብ፡ ንስጕምቱ ግና እግዚኣብሄር እዩ ዘቃንዓ።
10ኣብ ከናፍር ንጉስሲ ንግራት ኣምላኽ ኣሎ፡ ኣፉ ብፍርዲ ኣይጋገን።
11ሓቀኛ ሚዛንን መምዘንን ናይ እግዚኣብሄር እዩ፡ ኣብ ከረጺት ዘሎ ዅሉ መምዘኒ ከኣ ተግባሩ እዩ።
12ዝፋን ብጽድቂ እዩ ዝጸንዕ እሞ፡ ነገስታት ንረሲእነት ይፍንፍንዎ።
13ጻድቃን ከናፍር ንነገስታት የሐጕሳኦም፡ ነቲ ቅንዕና ዝዛረብውን የፍቅርዎ።
14ቍጥዓ ንጉስሲ ልኡኽ ሞት እዩ፡ ጥበበኛ ሰብ ግና የህድኦ።
15ገጽ ንጉስ እንተ በርሀ፡ ህይወት እዩ፡ ሞገሱ ኸኣ ከም ደበና ብዙሓት እዩ።
16ካብ ምጥራይ ወርቂ ክንደይ ኰን ምጥራይ ጥበብ ይበልጽ። ካብ ምጥራይ ብሩርሲ ምጥራይ ምስትውዓል ክንደይ ኰን ይኸብር።
17ጐደና እቶም ቅኑዓት ካብ ኣኩይ ምርሓቕ እዩ፡ እቲ ንመገዱ ዝጥንቀቐላ ንነፍሱ ይሕልዋ።
18ንውርደት ትዕቢት ትቕድማ፡ ንውድቀት ከኣ ኵርዓት።
19ምስቶም ዕቡያት ዘመተ ኻብ ምክፋልሲ፡ ምስቶም መሳኪን ደኣ ብመንፈስ ትሑት ምዃን ይሓይሽ።
20ነቲ ቓል ዘቅልበሉ ሰናይ ይረክብ፡ ብእግዚኣብሄር ዝእመን ከኣ ብጹእ እዩ።
21ጥበበኛ ዝልቡ መስተውዓሊ ይበሃል፡ ጣዕሚ ኸናፍር ከኣ ትምህርቲ ይውስኽ።
22ምስትውዓል ንዘጥርያ ሰብ ፈልፋሊት ህይወት እያ፡ ዕሽነት ግና ነቶም ዓያሱ ቕጽዓቶም እያ።
23ልቢ እቲ ጥበበኛ ንኣፉ መስተውዓሊ ይገብሮ፡ ንኸናፍሩ ድማ ትምህርቲ ይውስኸን።
24ልኡም ዘረባ መዓር ወለላ እዩ፡ ንነፍሲ ጥዑም፡ ነዕጽምቲ ኸኣ ጥዕና እዩ።
25ንሰብ ቅንዕቲ እትመስሎ መገዲ ኣላ፡ መወዳእታኣ ግና መገዲ ሞት እዩ።
26ኣፉ ይድርኾ እዩ እሞ፡ ጥሜት እቲ ዓያዪ ስሌኡ ኢሉ ይዓዪ።
27ሕሱም ሰብ እከይ ይዅዕት፡ ኣብ ከናፍሩ ኸኣ ከም ዝባላዕ ሓዊ ኣሎ።
28ጠዋይ ሰብ ቈየቛ ይዝርግሕ፡ ሓማዪ ኸኣ ንእሙናት ፈተውቲ ይፈላልዮም።
29ግፍዐኛ ሰብ ንብጻዩ ይሓባብሎ እሞ፡ ሰናይ ናብ ዘይኰነት መገዲ ይመርሖ።
30በዒንቱ ዝጠቅስ ሓሳባቱ ጠዋይ እዩ፡ ከናፍሩ ዝርምጥጥ ከኣ ነቲ ኽፍኣት ፈጺምዎ እዩ።
31ሸያብ ጸጕሪ ናይ ክብረት ዘውዲ እዩ፡ እዚ ኸኣ ኣብ መገዲ ጽድቂ እዩ ዝርከብ።
32ንዅራ ደንጓዪ ዝዀነ ኻብ ጅግና ይበልጽ፡ ካብቲ ንኸተማ ዝሕዝ ከኣ መንፈሱ ዝገዝእ ይበልጽ።
33ዕጭ ናብ ሕቝፊ እዮም ዘውድቑ፡ ንመን ከም ዝበጽሕ ግና እግዚኣብሄር እዩ ዝምድቦ።
መ. ምሳሌ ምዕራፍ 17
1ካብ ሕሩድ ዝመልኦ ቤት ምስ ቈየቛስ፡ ንቕጽቲ ቝራስ ምስ ህድኣት ትበልጽ።
2ለባም ባርያ ንነውራም ውሉድ ይገዝኦ፡ ኣብ ማእከል ኣሕዋት ድማ ርስቲ ይካፈል።
3መምከኺ ንብሩር፡ እቶን ከኣ ንወርቂ እዩ፡ ንልቢ ዝፍትኖ ግና እግዚኣብሄር እዩ።
4እኩይ ሰብ ንበደለኛ ኸንፈር ጽን ይብሎ፡ ሓሳዊ ድማ ነታ እክይቲ መልሓስ ይሰምዓ።
5ንድኻ ዘባጩ ንፈጣሪኡ ይጸርፍ፡ ብጕድኣት ዝሕጐስ ከኣ ከይተቐጽዐ ኣይተርፍን።
6ንኣረገውቲ እቶም ደቂ ደቆም ዘውዶም እዮም፡ ንቘልዑ ኸኣ ኣቦታቶም ክብረቶም እዮም።
7ንዓሻስ ዓብዪ ዘረባ ኣይመጠኑን፡ ንመስፍን ደኣ ግዳ ሓሰውቲ ኽናፍር ከመይ ኢለን።
8መማለጃ ነቲ እተቐበሎ ኸም ብሩር ዕንቍ እዩ፡ ኣብ ዝኸደ እንተ ኸደ ይሰልጦ።
9ፍቕሪ ዝደሊ ንበደል ይኽውሎ፡ ናብ ነገር ዝምለስ ግና ንእሙናት ፈተውቲ ይፈላልዮም።
10ካብ ሚእቲ ግርፋት ንዓሻስ፡ተግሳጽ ንለባም ኣዕሚቑ ይኣትዎ።
11እኩይ ሰብ ዕልወት ጥራይ ይደሊ፡ ስለዚ ጨካን መልእኽተኛ ይሰደሉ።
12ዓሻ ብዕሽነቱ ኻብ ዝጓነፈካስ፡ ኰራዅራ ዘሕደግዋ ድቢ ኽትጓነፈካ ይሓይሽ።
13ኣብ ክንዲ ሰናይሲ እከይ ዝፈዲ፡ መከራ ኻብ ቤቱ ኣይርሕቕን።
14ምጅማር ቈየቛ ከም ምኽፋት መገዲ ውሕጅ እዩ፡ ስለዚ ናብ ምሕርቃም ስኒ ኸይበጽሐ ኻብ ቈየቛ ርሓቕ።
15እቲ ንዓማጺ ናጻ ዘውጽኦን ንጻድቕ ዝዅንኖን፡ ክልቲኦም ኣብ እግዚኣብሄር ፍንፉናት እዮም።
16ዓሻስ ልቢ የብሉን እዩ እሞ፡ ጥበብ ክገዝእሲ፡ እቲ ኣብ ኢዱ ዘሎ ዋጋ ንምንታይ ይጠቅም፡
17ፈታዊ ንዅሉ ግዜ የፍቅር፡ ሓው ድማ ንጸገማ ይውለድ።
18ልቢ ዘይብሉ ሰብ ኣገን ይጠቅዕ፡ኣብ ቅድሚ ብጻዩ ኸኣ ይውሓስ።
19ባእሲ ዝፈቱ ሓጢኣት ይፈቱ፡ ንደጊኡ ዘንውሕ ምብራስ ይደሊ።
20ጠዋይ ልቢ ዘለዎ ሰናይ ኣይረክብን፡ ወስላታ ዝልሳኑ ኸኣ ኣብ መከራ ይወድቕ።
21ዓሻ ዝወለደ ብእኡ ይጕሂ፡ ኣቦ ዓሻውን ከቶ ኣይሕጐስን።
22ሕጉስ ልቢ ጽቡቕ መድሃኒት እዩ፡ ስቡር መንፈስ ግና ነዕጽምቲ የንቅጾ።
23ረሲእ፡ መገዲ ፍትሒ ንምጥዋይ፡ መማለጃ ኻብ ሕቝፊ ይወስድ።
24ለባም ሰብሲ ጥበብ ኣብ ቅድሚኡ ኣላ፡ ኣዒንቲ ዓሻ ግና ክሳዕ ወሰን ምድሪ እየን።
25ዓሻ ውሉድ ነቦኡ ጓሂ እዩ፡ ንወላዲቱ ኸኣ ምረት እዩ።
26ንጻድቕ ምቕጻዕ፡ ንኽቡራት ስለ ቕንዕናኦም ምውቃዕ ሰናይ ኣይኰነን።
27እቲ ፍልጠት ዘለዎስ ቃላቱ ይቝጥብ፡ ህዱእ መንፈስ ዘለዎ ለባም እዩ።
28ዓሻ እኳ ስቕ እንተ በለስ፡ ጥበበኛ መሲሉ ይርአ፡ ከናፍሩ ዝዓጹ ኣእምሮኛ ይበሃል።
መ. ምሳሌ ምዕራፍ 18
1እቲ ንርእሱ ዝፍለ ትምኒት ይደሊ፡ ንዅሉ ጥበብውን ይቃወሞ።
2ዓሻ ነቲ ኣብ ልቡ ዘሎ ኽገልጾ እምበር፡ ምስትውዓል ኣይፈቱን እዩ።
3ረሲእ እንተ መጸ፡ ንዕቀት ድማ ይወጽእ፡ ምስ ነውሪውን ጸርፊ ይመጽእ።
4ቃላት ኣፍ ሰብ ጥልቂ ማያት እዩ፡ ናይ ጥበብ ዓይኒ ማይ ከኣ ወሓዚ ርባ እዩ።
5ጻድቕ ምእንቲ ኽግፋዕ ኢልካ፡ ምስ ረሲእ ምሽራውሲ ሰናይ ኣይኰነን።
6ከናፍር ዓሻ ናብ ባእሲ ይኣትዋ፡ ኣፉ ኸኣ መውቃዕቲ ይጽውዕ።
7ኣፍ ዓሻ ንእኡ ጥፍኣቱ እዩ፡ ከናፍሩ ኸኣ ወጽመድ ነፍሱ እየን።
8ቃላት ጠባው እዝኒ ኸም ጥዑም ኵላሶ እዩ እሞ፡ ክሳዕ ውሽጢ መዓንጣ ይወርድ።
9እቲ ንዕዮ ሸለል ዝብሎ ሰብሲ ሓው በታን ገንዘብ እዩ።
10ስም እግዚኣብሄር ጽኑዕ ግምቢ እዩ፡ ጻድቕ ናብኡ ጐይዩ የዕቍብ።
11ንሃብታም እቲ ጥሪቱ ጽኑዕ ከተማኡ እዩ፡ ብሓሳቡ ኸኣ ከም ክብ ዝበለ ቀጽሪ እዩ።
12ልቢ ሰብ ቅድሚ ውድቀት ልዕል ይብል፡ ትሕትና ኸኣ ንኽብረት ትቕድማ።
13ከይሰምዐ ምላሽ ዝህብ ሰብ ዕሽነትን ነውርን ይቝጸሮ።
14ሰብ እንተ ሓመመስ፡ መንፈሱ ይድግፎ። ንተሰብረ መንፈስ ግና መን ከበርትዖ ይኽእል፡
15ልቢ ለባም ሰብ ፍልጠት የጥሪ፡ እዝኒ ጠቢባን ከኣ ፍልጠት ትደሊ።
16ንሰብ ውህበቱ መገዲ የርሕበሉ፡ ናብ ዓበይቲ ኸኣ የእትዎ።
17እቲ ቅድም ነገሩ ዘፍስስ ቅኑዕ ይመስል፡ እቲ በዓል ጋራ ግና መጺኡ ኣጸቢቑ ይምርምሮ።
18ዕጭ ውድእ ንባእሲ ይውድኦ፡ ንብርቱዓት ይፈላልዮም።
19ካብ ጽንዕቲ ኸተማስ እተበደለ ሓው ይቃወም፡ ባእሶም ከኣ ከም መሃርሃር ዕርዲ እዩ።
20ከብዲ ሰብ ካብ ፍረ ኣፉ ይጸግብ፡ ካብ እቶት ከናፍሩ ኸኣ ይጸግብ።
21ሞትን ህይወትን ኣብ ስልጣን መልሓስ እዩ፡ እቲ ዘፍቅራ ኸኣ ፍሬኣ ኽበልዕ እዩ።
22እቲ ሰበይቲ ዝረክብ ሰናይ ይረክብ፡ ካብ እግዚኣብሄር ከኣ ሞገስ ይቕበል።
23ድኻ እናለመነ ይዛረብ፡ ሃብታም ግና ብትሪ ይመልስ።
24ብዙሓት ፈተውቲ ዘለውዎ ሰብ ይጠፍእ፡ ግናኸ ካብ ሓው ኣብሊጹ ጥብቂ ዝዀነ ፈታዊ ኣሎ።
መ. ምሳሌ ምዕራፍ 19
1ካብቲ ቔናን ከናፍር ዘለዎ ዓሻስ፡ ብንጽህና ዝመላለስ ድኻ ይሓይሽ።
2ነፍሲ ብዘይ ፍልጠት ምዃና ጽቡቕ ኣይኰነን፡ ቅልጡፍ እግሪ ኸኣ ይስሕት።
3ሰብ ብዕሽነቱ መገዱ ይገላብጥ፡ ልቡ ግና ኣብ እግዚኣብሄር እዩ ዘንጸርጽር።
4ሃብትስ ብዙሓት ፈተውቲ ይውስኽ፡ ንድኻ ግና ፈታዊኡ እኳ ይሓድጎ።
5ሓሳዊ ምስክር ከይተቐጽዐ ኣይተርፍን፡ እቲ ሓሶት ዘውስእ ከኣ ኣየምልጥን።
6ንኸበርቴ ብዙሓት የቀባጥሩሉ፡ ነቲ ዓዳል ውህበታት ድማ ኵሎም ፈተውቱ እዮም።
7ንድኻ ዅሎም ኣሕዋቱ ይጸልእዎ፡ ምናዳ እኳ ፈተውቱ ኻብኡ ይርሕቁ፡ ብቓላት ይስዕቦም፡ ግናኸ የለዉን።
8ልቦና ዘጥሪ ንነፍሱ የፍቅራ፡ ንምስትውዓል ዘድህበሉ ሰናይ ይረክብ።
9ሓሳዊ ምስክር ከይተቐጽዐ ኣይተርፍን፡ ሓሶት ዘውስእ ከኣ ይጠፍእ።
10ንዓሻ ጣዕሚ ንብረት ኣይግብኦን፡ ምናዳ እኳ ንባርያ ኣብ ልዕሊ መሳፍንቲ ምስልጣን ኣይግብኦን።
11ምስትውዓል ንሰብ ንዅራ ደንጓዪ ይገብሮ፡ ንበደል ምሕላፍ ከኣ ክብረቱ እዩ።
12ኵራ ንጉስ ከም ምጕዛም ኣንበሳ እዩ፡ ሞገሱ ግና ኣብ ሳዕሪ ኸም ዝወርድ ኣውሊ እዩ።
13ዓሻ ውሉድ ነቦኡ መከራ እዩ፡ ቈየቛ ሰበይቲ ኸኣ ከየቋረጸ ዝነጥብ ናሕሲ እዩ።
14ቤትን ሃብትን ካብ ወላዲ ይውረስ፡ ለባም ሰበይቲ ግና ካብ እግዚኣብሄር እያ።
15ትህኪት ናብ ዓሚቝ ድቃስ የውድቕ፡ ሸለልተኛ ነፍሲ ኸኣ ትጠሚ።
16ትእዛዝ ዝሕሉ ነፍሱ ይሕሉ፡ መገዱ ሸለል ዝብል ግና ይመውት።
17እቲ ንድኻ ዝርሕርሓሉ ንእግዚኣብሄር የለቅሖ፡ ንሱውን ንሰናይ ግብሪ ኽፈድዮ እዩ።
18ገና ተስፋ ኸሎ፡ ንወድኻ ቕጽዓዮ፡ ክሳዕ ንምቕታሉ ግና ኣይትናደድ።
19እንተ ኣናገፍካዮስ ከተንድዶ ኢኻ እሞ፡ ኰራዪ ሰብ ይዕደ።
20ኣብ መውዳእታኻ ጥበበኛ ኽትከውንሲ፡ ምኽሪ ስማዕ፡ ተግሳጽውን ተቐበል።
21ኣብ ልቢ ሰብ ብዙሕ ሃቐና ኣሎ፡ ምኽሪ እግዚኣብሄር ግና እዩ ጸኒዑ ዝነብር።
22ንሰብ ርሕራሐ እዩ ጌጹ፡ ካብ ሓሳውስ ድኻ ይሓይሽ።
23ፍርሃት እግዚኣብሄር ናብ ህይወት የብጽሕ፡ ሳላኡ ሰብ ጸጊቡ ይሓድር፡ ክፉእ ከኣ ኣይረኽቦን።
24ሃካይ ንኢዱ ናብ ጻሕሊ የእትዋ፡ ግናኸ ናብ ኣፉ እኳ ኣይምልሳን።
25ንመላገጺ እንተ ገረፍካዮ፡ ገርሂ ይጥንቀቕ፡ ንበዓል ኣእምሮ እንተ ገሰጽካዮ ኸኣ፡ ፍልጠት የስተውዕል።
26እቲ ነቦኡ ዘጥፍእ ነዲኡውን ዝሰጕጕ መሕፈርን ነውራምን ውሉድ እዩ።
27ወደየ፡ ነቲ ኻብ ቃል ፍልጠት ዘርሕቐካ ተግሳጽ ሕደጎ።
28ሕሱም ምስክር ንፍርዲ የባጭወሉ፡ ኣፍ ረሲእ ከኣ ኣበሳ ይውሕጥ።
29ፍርዲ ንመላገጽቲ፡ መውቃዕቲ ኸኣ ንዝባን ዓያሱ ተዳልዩሎም ኣሎ።
መ. ምሳሌ ምዕራፍ 20
1ወይኒ መላገጺ እዩ፡ ዘስክር መስተ ኸኣ ሃዋኺ እዩ፡ በዚ ሰንከልክል ዝብል ዘበለስ ጥበበኛ ኣይከውንን።
2ንጉስ ከም ምጕዛም ኣንበሳ እዩ ዘሰምብድ፡ እቲ ዘዀርዮ ንህይወቱ ይብድላ።
3ንሰብ ካብ ቈየቛ ምርሓቕ ክብረት እዩ፡ ዓሻ ግና ዘሊሉ ይኣትዎ።
4ሃካይ ብምኽንያት ቍሪ ኣይሓርስን፡ ብግዜ ቐውዒ ይልምን እሞ፡ ገለ እኳ ኣይረክብን።
5ምኽሪ ኣብ ልቢ ሰብ ከም ጥልቂ ማይ እዩ፡ ብዓል ኣእምሮ ግና ይቐድሖ።
6ርሕራሐኦም ዘውርዩ ብዙሓት እዮም፡ ግናኸ ንእሙን ሰብ መን ይረኽቦ
7ብንጽህናኡ ዝመላለስ ጻድቕሲ፡ ብድሕሪኡ ውሉዱ ብሩኻት እዮም።
8ኣብ ዝፋን ፍርዲ እተቐመጠ ንጉስ እከይ ንዘበለ ዅሉ በዒንቱ ይብትኖ።
9ንልበይ ኣጽርየዮ፡ ካብ ሓጢኣተይ ነጺሀ፡ ክብል ዝኽእል መን እዩ፧
10ክልተ ዓይነት ሚዛን፡ ክልተ ዓይነት መስፈሪ፡ እዚኣተን ክልቲአን ኣብ እግዚኣብሄር ፍንፉናት እየን።
11ቈልዓ እኳ ዕዮኡ ቕኑዕን ንጹህን እንተ ዀነ፡ ብግብሩ ይፍለጥ።
12ነታ ሰማዒት እዝንን፡ ነታ ረኣዪት ዓይንንሲ፡ ንኽልቲአን እግዚኣብሄር እዩ ዝገበረን።
13ድኻ ምእንቲ ኸይትኸውን፡ ድቃስ ኣይትፍቶ፡ ነዒንትኻ ቋሕ ኣብለን፡ ሽዑ እንጌራ ኽትጸግብ ኢኻ።
14ዓዳጊ፡ ሕማቕ እዩ፡ ሕማቕ እዩ፡ ይብል፡ መገዱ ምስ ከደ ግና ይሕበን።
15ወርቅን ብዙሕ ዕንቍን ኣሎ፡ ፈላጣት ከናፍር ግና ክቡር ኣቕሓ እየን።
16ነቲ ንጓና እተዋሕሰ ኽዳኑ ወሰደሉ፡ ኣብ ክንዲ እቶም ጓኖትሲ ታሕዚ ኻብኡ ውሰድ።
17እንጌራ ጥበራ ንሰብ ጥዑም እዩ፡ ድሓር ግና ኣፉ ጸጸር ይመልእ።
18ሃቐና ብምኽሪ ይጸንዕ፡ ብጥበብ ተመሪሕካ ተዋጋእ።
19እቲ እናዞረ ዝሓሚ፡ ምስጢራት ይቐልዕ፡ ስለቲ ምስቲ ኸናፍሩ ዘግፍሕ ሰብ ኣይትተሓወስ።
20እቲ ነቦኡን ነዲኡን ዝረግም መብራህቱ ኣብ ማእከል ድቕድቕ ጸልማት ክጠፍእ እዩ።
21እቲ ብመጀመርታ ቐልጢፉ እተኣከበ ርስቲ መወዳእታኡ ኣይክባረኽን እዩ።
22እከይ ክፈዲ ኣይትበል፡ ንእግዚኣብሄር ተጸበዮ እሞ፡ ንሱ ኸድሕነካ እዩ።
23ክልተ ዓይነት ሚዛን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ፍንፉን እዩ፡ ጠባሪ ከኣ ሰናይ ኣይኰነን።
24ስጉምቲ ሰብ ብእግዚኣብሄር እዩ ዝምራሕ፡ ሰብ ደኣ ኸመይ ገይሩ እዩ ንመገዱ ዘስተውዕላ
25ብሃንደበት እተቐደሰ እዩ ምባልን ድሕሪ መብጽዓ ምምርማርንሲ፡ ንሰብ መፈንጠራ እዩ።
26ጥበበኛ ንጉስ ነቶም ረሲኣን የዝርዎም፡ ብመንኰራዅር ድማ ይደርጾም።
27መብራህቲ እግዚኣብሄር መንፈስ ሰብ እዩ፡ ንሱ ንብዘሎ ውሻጠ ልቢ ይምርምሮ።
28ምሕረትን ሓቅን ንንጉስ ይሕልዋኦ፡ ንሱ ብምሕረት ንዝፋኑ የጽንዖ።
29ሓይሊ ንመንእሰይ ክብረቱ እዩ፡ንኣረገውቲ ኸኣ ሽበቶም ስልማቶም እዩ።
30ሰመርመር ዝብል ስምብራት ካብ ክፍኣት የጽሪ፡ ከምኡውን መውቃዕቲ ንውሻጠ ልቢ የጽርዮ።
መ. ምሳሌ ምዕራፍ 21
1ልቢ ንጉስ ኣብ ኢድ እግዚኣብሄር ከም ወሓዚ ማይ እዩ፡ ንሱ ናብ ዝደለዮ ይመልሶ።
2ሰብሲ ዅሉ መገዱ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ቕኑዕ ይመስሎ፡ ግናኸ እግዚኣብሄር እዩ ልቢ ዝመዝን።
3እግዚኣብሄር ካብ መስዋእትስ ጽድቅን ቅንዕናን ምግባር እዩ ዝፈቱ።
4ኵርዓት ኣዒንትን ንፉሕ ልብን ሓጢኣት እዩ፡ ንሱ ኸኣ መብራህቲ ረሲኣን እዩ።
5ሃቐና እቲ ትጉህ ናብ ረብሓ የብጽሕ፡ እቲ ዝህወኽ ዘበለ ግና ስእነት ጥራይ ይህወኽ።
6እቲ ብሓሳዊት መልሓስ ኣተኣከበ መዝገብ በኒኑ ይጠፍእ፡ ናብ ወጽመድ ሞት ከኣ የውድቕ።
7ቅንዕና ምግባር ኣብዮም እዮም እሞ፡ ነቶም ረሲኣንሲ ግፍዖም ጥፍኣቶም እዩ።
8መገዲ እቲ በደለኛ ጥውይዋይ እያ፡ ንጹህ ሰብ ግና ግብሩ ቕኑዕ እዩ።
9ካብ ምስ ናግራም ሰበይቲ ኣብ ሓደ ቤትሲ ኣብ ዝባን ናሕሲ ብሓደ ወገን ምቕማጥ ይሓይሽ።
10ነፍሲ ረሲእ ንእከይ ትምነዮ፡ ብጻዩውን ኣብ ቅድሚኡ ምሕረት ኣይረክብን።
11ንመላገጺ እንተ ቕጻዕካዮ፡ እቲ ገርሂ ጠቢብ ይኸውን፡ ንጥበበኛ እንተ መሃርካዮ ኸኣ፡ ፍልጠት ይቕበል።
12እቲ ጻድቕ ንቤት ረሲእ ይምልከቶ፡ ነቶም ረሲኣን ከኣ ናብ መከራ የጽድፎም።
13እቲ ንጥርዓን ድኻ ኸይሰምዕ ኢሉ እዝኑ ዝዓጹ፡ ንሱውን ይጠርዕ እሞ ምላሽ ኣይረክብን።
14ብስዉር ዝኣተወ ገጸ በረኸት ኵራ የህድእ፡ሕቡእ ውህበትውን ንብርቱዕ ቍጥዓ የዝሕሎ።
15ቅኑዕ ምግባር ንጻድቕ ሓጐሱ እዩ፡ ንገበርቲ ዓመጻ ግና ረዓድ እዩ።
16እቲ ኻብ መገዲ ልቦና ዝዝምብል ሰብ ኣብ ኣኼባ ምዉታት ይነብር።
17ጣዕሚ ንብረት ዝፈቱ ይደኪ፡ ወይንን ዘይትን ዝፈቱ ኸኣ ኣይህብትምን።
18ረሲእ በጃ ጻድቕ እዩ፡ ኣብ ክንዲ ቕኑዕ ድማ ጠላሚ ይሓልፍ።
19ካብ ምስ ናግራም መሰቀቒትን ሰበይትስ ኣብ በረኻ ምቕማጥ ይሓይሽ።
20ኣብ ቤት ጥበበኛ ኽቡር መዝገብን ዘይትን ኣሎ፡ ዓሻ ሰብ ግና ይውሕጦ።
21እቲ ንጽድቅን ብጕነትን ዝስዕባን፡ ህይወትን ጽድቅን ክብረትን ይረክብ።
22ጥበበኛ ሰብ ናብ ከተማ ሓያላት ይድይብ፡ ንሓይሊ እምንቶኣ የፍርሶ።
23እቲ ኣፉን መልሕሱን ዝሕሉ ሰብ ንነፍሱ ኻብ ጸበባ ይሕልዋ።
24ዕቡይን ኵሩዕን ሰብ መላገጺ እዩ ስሙ፡ ንሱ ብናይ ትዕቢት ቍጥዓ ይገብር።
25ሃካይ፡ ኣእዳው ምዕያይ ይኣብያ እየን እሞ፡ ትምኒቱ ይቐትሎ።
26ምሉእ መዓልቲ ብህርፋን ዝምነ ኣሎ፡ ጻድቕ ግና ይህብ ኣይከልእን ከኣ።
27መስዋእቲ እቶም ረሲኣን ፍንፉን እዩ፡ ምናዳ እኳ ብእኩይ ሓሳብ እንተ ኣቕረቦ።
28ሓሳዊ ምስክር ይጠፍእ፡ ዝሰምዕ ሰብ ግና ኵሉ ግዜ ኽዛረብ ይፍቀደሉ።
29ረሲእ ሰብ ገጽ ድርቅና የርኢ፡ ጻድቕ ግና መገዱ የጽንዕ።
30ጥበበ ወይስ ኣእምሮ ወይስ ምኽሪ፡ ንእግዚኣብሄር ዝቃወሞ የልቦን።
31ፈረስ ንመዓልቲ ውግእ ተዳልዩ ኣሎ፡ ስዕረት ግና ካብ እግዚኣብሄር እዩ።
መ. ምሳሌ ምዕራፍ 22
1ጽቡቕ ስም ካብ ብዙሕ ሃብቲ ይሕረ፡ ሞገስ ከኣ ካብ ብሩርን ወርቅን ይበልጽ።
2ሃብታምን ድኻን ይራኸቡ፡ ንዅላቶም ዝገብሮም እግዚኣብሄር እዩ።
3ኣስተውዓሊ ሰብሲ እከይ ይርኢ እሞ ይሕባእ፡ ገርህታት ግና ህሩጕ ይብሉ እሞ ብእኡ ይጕድኡ።
4ዓስቢ ትሕትናን ፍርሃት እግዚኣብሄርሲ ሃብትን ክብረትን ህይወትን እዩ።
5እሾዅን መፈንጠራን ኣብ መገዲ እቲ ቔናን እዩ፡ እቲ ንነፍሱ ዝሕልዋ ካብኡ ይርሕቕ።
6ንቘልዓ እታ ክኸደላ ዝግብኦ መገዲ ኣላምዶ እሞ ምስ ኣረገ ኻብኣ ኣይከልግስን እዩ።
7ንድኻ ሃብታም ይገዝኦ፡ ተለቃሒ ኸኣ ባርያ እቲ ዘለቅሖ እዩ።
8እቲ ኣበሳ ዝዘርእ መከራ ይዓጽድ፡ ብሸቦጥ ቍጥዓኡ ይጠፍእ።
9እቲ ርሕሩሕ ቈላሕታ ዘለዎ፡ ንድኻ ኻብ ኣንጌራኡ ይህቦ እሞ፡ ይባረኽ።
10ንመላገጺ ስጐጎ እሞ፡ ቈየቛ ኽወጽእ እዩ፡ ባእስን ጸርፍን ከኣ ክውዳእ እዩ።
11እቲ ንጽህና ልቢ ዝፈቱ እሞ ጸጋ ኣብ ከናፍሩ ዘለዎ፡ ፈታዊኡ ንጉስ እዩ።
12ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ንጥበብ ይከናኸናኣ፡ ንሱ ግና ንቃላት እቲ ጠላሚ ይግልብጦ።
13ሃካይ፡ ኣብ ወጻኢ ኣንበሳ ኣሎ፡ ኣብ ማእከል ኣደባባይ እቕተል እኸውን እየ፡ ይብል።
14ኣፍ ኣመንዝራ ሰበይቲ ዓሚቝ ጕድጓድ እዩ፡ እግዚኣብሄር እተቘጥዖ ሰብ ኣብኣ ይወድቕ።
15ንልቢ ቘልዓ ዕሽነት ተቘራንይዎ ኣሎ፡ ሸቦጥ መቕጻዕቲ ግና ካብኡ የርሕቖ።
16ንድኻ ዘጥቅዖ የሃብትሞ፡ ንሃብታም ዝህቦ ኣብ ስእነት ጥራይ የብጽሖ።
17-18ኣብ ውሽጥኻ ኣንተ ኣርነብካየን፡ ኵላተን ኣብ ከናፍርካ እንተ ኣለዋስ፡ ጥዑም እዩ እሞ፡ እዝንኻ ጽሎ፡ ቃላት ጠቢባን ከኣ ስማዕ፡ ብልብኻ ናብ ፍልጠተይ ኣቕልብ።
19እምንቶኻ ብእግዚኣብሄር ምእንቲ ክኸውንሲ፡ ኣነ ሎሚ ንኣኻ፡ እወ ንኣኻ ምሂረካ።
20-21ነቶም ዝልእኩኻ ቃላት ሓቂ ምእንቲ ኽትመልስ፡ ርግጽ ነገርን ቃላት ሓቅን ምእንቲ ኸፍልጠካ ኢለስ፡ ድሮዶ ናይ ምኽርን ናይ ፍልጠትን ብሉጽ ነገር ኣይጸሓፍኩልካን እየ፡
22-23እግዚኣብሄር ክማጐተሎም፡ ነቶም ገፈፍቶም ከኣ ህይወቶም ክገፎም እዩ እሞ፡ ነቲ ድኻስ ድኻ ስለ ዝዀነ፡ ኣይትግፈፎ፡ ንሽጉር ድማ ኣብ ደገ ኣይትጥቅዓዮ።
24-25መገዱ ምእንቲ ኸይትምሃር እሞ፡ ንነፍስኻ ኸይተፈንጥረላ፡ ምስ ኰራዪ ሰብ ኣይትመሓዞ፡ ምስ ተቘጣዒ ኸኣ ኣይትኺድ።
26ካብቶም ኣሕሊፎም ዝህቡ፡ ንዕዳ ዝወሓሱ ኣይትኹን።
27ምፍዳይ እንተ ሰኣንካስ፡ ስለምንታይ እዩ መንጸፍካ ኻብ ትሕቴኻ ዝወስድ፡
28ኣቦታትካ ዘቘምዎ ናይ ቀደም ደረት ኣይተዝብል።
29ኣብ ዕዮኡ ፈጣን ዝዀነ ሰብዶ ርኢኻ ትፈልጥ፡ ንሱ ኣብ ቅድሚ ነገስታት እዩ ዝቐውም፡ኣብ ቅድሚ ታሕቶት ሰባት ኣይቀውምን።
መ. ምሳሌ ምዕራፍ 23
1ኣብ መኣዲ ምስ መኰነን እንተ ተስራዕካ፡ መን ከም ዝዀነ ኣብ ቅድሜኻ ዘሎ ኣጸቢቕካ ኣስተብህል፡
2ስሱዕ እንተ ዀንካስ፡ ንጐሮሮኻ ኻራ ኣቕርበሉ፡
3ጠባሪ ብልዒ እዩ እሞ፡ ነቲ ጥዑም በባልዑ ኣይትብሃጎ።
4ሃብታም ክኸውን ኢልካ ኣይትጽዓር፡ ንጥበብካ ኣብኡ ኣይተውዕሎ።
5ከምቲ ንሰማይ ኣቢሉ ዝነፍር ንስሪ፡ ብርግጽ ኣኽናፍ የውጽእ እዩ እሞ፡ ኣዒንትኻዶ ናብቲ ዘየሎ ኸተውድቕ ኢኻ፡
6ናይ ክፉእ ዝዓይኑ እንጌራ ኣይትብላዕ፡ ጣዕሚ መብልዑ ኸኣ ኣየብህግካ፡
7ብላዕ ስተ፡ ይብለካ፡ ኣብ ውሽጡ ግና ተጸባጻቢ እዩ እሞ፡ ልቡ ምሳኻ ኣይኰነን።
8ነታ ዝበላዕካያ ዅላሶ ኽትተፍኣ ኢኻ፡ ነቲ ጽቡቕ ዘረባኻውን ከተጥፍኦ ኢኻ።
9ዓሻ ነቲ ጥበብ ዘረባኻ ይንዕቆ እዩ እሞ፡ ኣብ ኣዝኑ ኣይትዛረብ።
10ናይ ቀደም ደረት ኣይይተዝብል፡ ናብ ግራት ዘኽታማት ከኣ ኣይታቶ።
11እቲ ጠበቓኦም ብርቱዕ እዩ እሞ፡ ባዕሉ ኣብ ክንዳኦም ክማጐተልካ እዩ።
12ልብኻ ናብ ተግሳጽ ፡ ኣእዛንካ ድማ ናብ ቃላት ፍልጠት ኣቕልብ።
13ንቘልዓ ብሸቦጥ እንተ ግረፍካዮ፡ ኣይመውትን እዩ እሞ፡ ብዘይ መቕጻዕቲ ኣይትግደፎ።
14ብሸቦጥ ትገርፎ እሞ፡ ንነፍሱ ኻብ ሲኦል ተድሕና።
15ወደየ፡ ልብኻ ጥበበኛ እንተ ዀነ፡ ኣነውን ልበይ ይሕጐስ፡
16እወ፡ ከናፍርካ ቅንዕና እንተ ተዛረበ፡ ኰላሊተይ ደስ ይብለን።
17-18ብርግጽ ዓስቢ ኣሎ፡ ትጽቢትካ ኸኣ ከንቱ ኣይክኸውንን እዩ እሞ፡ ልብኻ ዅሉ መዓልቲ ፍርሃት እግዚኣብሄር ይሃልዎ እምበር፡ ብሓጢኣተኛታት ኣይቕናእ።
19ኣታ ወደየ፡ስማዕ እሞ ጥበበኛ ኹን፡ ንልብኻውን ብመገዲ ኣቕንዓዮ።
20-21ሰካርን ህሩፍን ይደኽዩ፡ ድቃስ ከኣ ጨርቂ የኽድን እዩ እሞ፡ ኣብ ማእከል ሰተዪ ወይኒ፡ ኣብ ማእከል ህሩፋት በላዕቲ ስጋ ኣይትኹን።
22ነቲ ዝወለደካ ኣቦኽ ስምዓዮ፡ ኣዴኻ ምስ ኣረገት ከኣ ኣይትንዓቃ።
23ንሓቂ ዓድጋ እሞ ኣይትሽጣ፡ ንጥበብን ተግሳጽን ኣእምሮ ኸኣ።
24ኣቦ ጻድቕ ብዙሕ ይሕጐስ፡ ጥበበኛ ወዲ ዝወለደ ኸኣ ብእኡ ባህ ይብሎ።
25ኣቦኻን ኣዴኻን ብኣካ ባህ ይበሎም፡ እታ ዝወለደትካ ድማ ባህ ይበላ።
26ወደየ፡ ልብኻ ሃበኒ፡ ኣዒንትካ ድማ ብመገደይ ደስ ይበለን።
27ኣመንዝራስ ዓሚቝ ዓዘቕቲ እያ፡ ሰበይቲ ኻልእ ጸቢብ ጕድጓድ እያ።
28ከም ከታሪ ተድቢ፡ ንብዙሓት ሰብውን ጠለምቲ ትገብሮም።
29ዋይዋታ ንመን እዩ፡ ሓዘን ንመን እዩ፡ ባእሲ ንመን እዩ፡ ምስቍርቋር ንመን እዩ፡ብዘይምኽንያት ምቝሳል ንመን እዩ፡ ምቕያሕ ዓይንስ ንመን እዩ፡
30ነቶም ኣብ ምስታይ ወይኒ ዝድንጕዩ፡ ነቶም ዝደረቐ ወይኒ ኽመርጹ ዝእከቡ እዩ።
31ወይኒ ምቕያሑ፡ ኣብ ብርለ ምውዕዋዑ፡ ጥዒሙ ምውራዱ ኣይትጠምቶ።
32ኣብ መወዳእታ ኸም ተመን ይነክስ፡ ከም ኣፍዑት ሕንዙ ፋፍ የብል።
33ኣዒንትኻ ሕውዝውዝ ይብላ፡ ልብኻውን ጠዋይ ነገር ይዛረብ።
34ኣብ ውሽጢ ባሕሪ በጥ ከም ዝበለ፡ ኣብ ጫፍ ደቐል ከም ዝደቀሰ ኢኻ እትኸውን፡
35ወቒዖምንስ ኣይትሰምዓንን፡ ዘቢጦምንስ ኣይተፈለጠንን፡ መኣዝ ክነቅሕ እየ፡መሊሰ ኽደልዮ እየ።
መ. ምሳሌ ምዕራፍ 24
1-2ልቦም ግፍዒ እዩ ዝሓስብ፡ ከናፍሮም ድማ ጥፋኣት እየን ዝዛረባ እሞ፡ በቶም እኩያት ኣይትቕናእ፡ ምሳታቶም ክትነብርውን ኣይትድለ።
3ቤት ሳላ ጥበብ ይህነጽ፡ ሳላ ምስትውዓል ከኣ ይጸንዕ።
4ክፍልታት ቤት ሳላ ፍልጠት እዩ ኽቡርን ጽቡቕን ዘበለ ዅሉ ጥሪት ዝመልእ።
5ጥበበና ሰብ ብርቱዕ እዩ፡ ኣእምሮ ዘለዎ ኸኣ ሓይሉ የጽንዕ።
6እምብኣርሲ ብጥበብ ተመሪሕካ ተዋጋእ፡ ደሓን ከኣ ብምብዛሕ መኸርቲ እዩ።
7ጥበብ ነቲ ዓሻ ኣዝያ ላዕሊ እያ፡ ኣፉ ኣብ ደገ ኣይከፍትን።
8እከይ ክገብር ዝሃስብ ሰብሲ፡ ሰራሕ ነገር እዩ ዝበሃል።
9ምህዞ ዓሻ ሓጢኣት እዩ፡ መላገጺ ኸኣ ብሰብ ፍንፉን እዩ።
10ብመዓልቲ መከራ እንተ ተሓለልካ፡ ሓይልኻ ቕሩብ እዩ።
11ነቶም ናብ ሞት ዝጕተቱ ኣናግፎም፡ ነቶም ሰንከልከል እናበሉ ናብ ማሕረዲ ዝኸዱ ኸኣ ኣይትሕደጎም።
12እንሆ፡ እዝስ ኣይፈለጥናን፡ እንተ በልካ፡ እቲ ልቢ ዝመዝንዶ ኣየስተብህሎን እዩ፡ እቲ ንነፍስኻ ዝጥንቀቐላስ ኣይፈልጦን ድዩ፡ ንሱ ኸኣ ንነፍሲ ወከፍ ከከም ግብሩ ኽፈድዮ እዩ።
13ወደየ፡ ጽቡቕ እዩ እሞ፡ መዓር ብላዕ፡ ወለላ መዓር ንትንሓግካ ጥዑም እዩ።
14ከምኡውን ንነፍስኻ ጥበብ ተምሃር እምበር፡ እንተ ረኸብካያስ ጻማ ኣሎ፡ ትጽቢትካውን ኣይክቝረጽን እዩ።
15ኣታ ረሲእ፡ ንቤት ጻድቕ ኣይተድብየላ፡ ነታ መዕረፊኡ ኣይትሃውካ።
16እቲ ጻድቕ ሾብዓተ ሳዕ ይወድቕ እሞ ይትንስእ፡ ረሲኣን ግና ናብ መከራ ይጸድፉ።
17-18እግዚኣብሄር ነዚ ርእዩ ኸይጉሂ እሞ ዅራኡ ኻብኡ ኸይመልስሲ፡ ጸላኢኻ እንተ ወደቐ፡ ኣይትተሓጐስ፡ እንተ ጸደፈ ኸኣ፡ ልብኻ ደስ ኣይበሎ።
19-20እኩይ ሰብ ውሬታ የብሉን፡ ቀንዴል ረሲኣን ከኣ ይጠፍእ እዩ እሞ፡ በቶም እከይ ዝገብሩ ኣይተንጽርጽር፡ በቶም ረሲኣን ኣይትቕናእ።
21ወደየ፡ ንእግዚኣብሄርን ንንጉስን ፍርሃዮም፡ ምስ ዓለወኛታት ኣይትጸንበር።
22ብድንገት መዓት ክወርዶም እዩ እሞ፡ ንጥፍኣት ክልቲኦም መን እዩ ዝፈልጦ፡
23እዚውን ካብ ጠቢባን እዩ፡ ኣብ ፍርዲ ኣድልዎ ምግባር ሰናይ ኣይኰነን።
24ነቲ በደለኛስ፡ ጻድቕ ኢኻ ዝብሎ፡ ህዝብታት ክረግምዎ፡ ኣህዛብውን ክፍንፍንዎ እዮም።
25እቶም ዝግስጽዎ ግና ደሓን ክዀኑ እዮም፡ ኣብ ልዕሊኦም በረኸትን ጽቡቕ ዕድልን ክወርድ እዩ።
26ቅኑዕ ምላሽ ዝህብ፡ ከናፍር ይስዕም።
27ናይ ወጻኢ ዕዮኻ ኣሰናዱ፡ ኣብ ግራት ከኣ ንኣኻ ኣዳሉ፡ ደሓር ቤትካ ስራሕ።
28ንብጻይካ ብዘይ ምኽንያት መስኪርካ ኣይትጕድኣዮ፡ ብኸናፍርካ ድማ ኣይትጠበር።
29ከምታ ዝገበረኒ ኽገብሮ፡ ብሰብ ከም ግብሩ ኽፈድዮ እየ፡ ኣይትበል።
30ኣነ ብግራት ሃካይ፡ ብናይቲ ኣኣምሮ ዘይብሉ ኣታኽልቲ ወይኒ ሓለፍኩ፡
31እንሆ ድማ፡ ተዀርባ በቝልዎ፡ ቈጥቋጥ ውሒጥዎ፡ እቲ መካበብያ እምኒውን ፈሪሱ።
32ልበይ ኣውዲቐ ኣብኡ ተመልከትኩ፡ ንእኡ ርእየ ድማ ትምህርቲ ረኸብኩ፡
33ቅሩብ ድቃስ፡ ቅሩብ ትኽስታ፡ ምእንቲ ኽትዓርፍ ቅሩብ ኣእዳውካ ምምስቃል፡
34ሽዑ ድኽነትካ ገስጊሱ፡ ንዴትካ ኸኣ ከም እተሰለፈ ሰብኣይ ይመጸካ።
መ. ምሳሌ ምዕራፍ 25
1እዘን ምስላታት እዚአን ድማ ናይ ሰሎሞን እየን፡ ናይ ህዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ ሰባት ከኣ ኣኽበብወን።
2ክብሪ ኣግዚኣብሄርሲ ምስዋር ነገር እዩ፡ ክብሪ ነገስታት ግና ምምርማር ነገር እዩ።
3ልዕልና ሰማይን መዓሙቝ ምድርን ልቢ ነገስታት ኣይተመርማርን እዩ።
4ንብሩር ካብ ዛዕጉ ኣጽርዮ እሞ፡ ሽዑ ነንጠረኛ ኣቕሓ ይወጸሉ።
5ንረሲእ ካብ ቅድሚ ንጉስ ኣርሕቆ፡ ሽዑ ዝፋን ንጉስ ብጽድቂ ይጸንዕ።
6-7ኣብ ቅድሚ እቲ ኣዒንትኻ ዝረኣያኦ መስፍን ካብ እትዋረድሲ፡ ናብዚ ልዕል በል፡ ክብሉኻ ይሕሸካ እሞ፡ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ኣይትጀሃር፡ ኣብ ቦታ ዓበይቲ ኣይትቝም።
8ብጻይካ ምስ ኣሕፈረካ፡ ኣብ መወዳእታ እትገብሮ ኸይጠፍኣካስ፡ ናብ ባእሲ ኣይትቐልጥፍ።
9-10ዝሰምዐ ኸይጸርፈካ፡ ስምካ ኸኣ ከይከፍእሲ፡ ነገርካ ምስ ብጻይካ ተማጻረ፡ ምስጢር ካልእ ግና ኣይትቕላዕ።
11ብግቡእ ግዜ እተዘርበ ቓል ከም ሮማን ወርቂ ኣብ ጻሕሊ ብሩር እዩ።
12ንትሰምዕ እዝንስ ጥበበኛን ገላጺ ኸም ቀለቤት ወርቅን ከም ስልማት ጽሩይ ወርቅን እዩ።
13እሙን ልኡኽ ነቶም ዝልእክዎ ኸምቲ ዛሕሊ ውርጪ ብግዜ ቕውዒ እዩ፡ ንሱ ንነፍሲ ጐይታኡ የቕስና።
14ብዛዕባ ህያቡ ብሓሶት ዝጅሃር ሰብሲ፡ ከምቲ ዝናም ዘይብሉ ደበናን ንፋስን እዩ።
15ፈራዲ ብትዕግስቲ ይቕልስ፡ ልዙብ መልሓስ ከኣ ኣዕጽምቲ ይሰብር።
16መዓር እንተ ረኸብካ፡ እምብዛ ኸይትጸግብ እሞ ከይትተፍኦስ: ዝኣኽለካ ብላዕ።
17ብጻይካ ኸይመንወካ እሞ ከይጸልኣካስ፡ ናብ ቤቱ እግርኻ ኣይተዘውትር።
18እቲ ኣብ ብጻዩ ሓሶት ዝምስክርሲ ሞደሻን ሰይፍን በሊሕ ፍላጻን እዩ።
19ጠላሚ ሰብ ብመዓልቲ ጸበባ ንዝጽግዖ፡ ብዅባዅ ስንን መንሳተቲ እግርን እዩ።
20ንሕዙን ልቢ ደርፊ ዝደርፈሉስ ከምቲ ብግዜ ቝሪ ንመደረብታኡ ዝቕንጥጦን ኣብ ጨው ከኣ መጺጽ ዘእትወሉን እዩ።
21ጸላኢኻ እንተ ጠመየ፡ እንጌራ ኣብልዓዮ፡ እንተ ጸምአውን፡ ማይ ኣስትዮ።
22በዚ ኸምዚ ጓህሪ ኣብ ርእሱ ትእክብ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ክፈድየካ እዩ።
23ንፋስ ሰሜን ዝናም የምጽእ፡ ሓማይት ልሳን ከኣ ገጽ ተጸውግ።
24ካብ ምስ ናግራም ሰበይቲ ኣብ ሓደ ቤትሲ፡ ኣብ ዝባን ናሕሲ ብሓደ ወገን ምቕማጥ ይሓይሽ።
25ካብ ርሑቕ ሃገር ዝመጸ ብስራት፡ ከም ዝሑል ማይ ንዝጸምአት ነፍሲ እዩ።
26ኣብ ቅድሚ ረሲእ ሰንከልከል ዝብል ጻድቕ፡ ከምቲ ኣተዘርገ ዓይኒ ማይን ከም ዝሰበበ ዔላን እዩ።
27መዓር ኣብዚሕካ ምብላዕ ጽቡቕ ኣይኰነን፡ ከምኡውን ከቢድ ነገር ምምርማር ዘሸግር እዩ።
28መንፈሱ ዘይገትእ ሰብሲ ቀጽሪ ዘይብላ ዝፈረሰት ከተማ እዩ።
መ. ምሳሌ ምዕራፍ 26
1ከምቲ በረድ ንጽብሓት፡ ዝናም ከኣ ንቐውዒ፡ ከምኡውን ንዓሻ ኽብረት ኣይግብኦን።
2ምኽንያት ዘይብሉ መርገምሲ ኸምታ እትነፍር ጭሩ፡ ከምታ እትበርር ለዃዂቶ ኣይበጽሕን እዩ።
3ሓለንጊ ንፈረስ፡ ልጓም ንኣድጊ፡ በትሪ ንዝባን ዓሻ እዩ።
4ንስኻ ድማ ንእኡ ኸይትመስልሲ፡ ንዓሻ ኸም ዕሽነቱ ኣይትምለሰሉ።
5ዓሻ፡ ጠቢብ ከም ዝዀነ ኸይመስሎስ፡ ከም ዕሽነቱ ምለሰሉ።
6እቲ ብኢድ ዓሻ መልእኽቲ ዝሰድድ ባዕሉ ኣእጋሩ ይቘርጽ እሞ መከራ ይሰቲ።
7ኣእጋር መጻጕዕ ጠልጠል ይብላ፡ ምስላ ኸኣ ኣብ ኣፍ ዓያሱ ኸምኡ እዩ።
8ንዓሻ ኽብረት ምሃብሲ፡ ከምቲ ኸረጺት ዕንቁ ናብ ምራ እምኒ ምድርባይ እዩ።
9ምስላ ኣብ ኣፍ ዓያሱ ኸም እሾኵ ኣብ ኢድ ሰካር እዩ።
10እቲ ምስ ዓሻን ምስ ሓላፍ መገድን ዝውዓዓል፡ ከምቲ ንዝረኸበ ዝወግእ ወርዋር ፍላጻ እዩ።
11ከልቢ ናብ ትፋኡ ኸም ዝምለስ፡ ዓሻ ኸምኡ ንዕሽነቱ ይደጋግሞ።
12ኣነ ጥበበኛ እየ፡ ዝብል ሰብዶ ርኢኻ ትፈልጥ፡ ካብ ብእኡስ ብዓሻ ተስፋ ምግባር ይበልጽ።
13እቲ ሃካይ፡ ኣብ መገዲ ኣንበሳ ኣሎ፡ አረ ኣብ ኣደባባይ ኣንበሳ ኣሎ፡ ይብል።
14ከምቲ ማዕጾ ኣብ ወንድወንዶኡ፡ ሃካይውን ከምኡ ኣብ ዓራት ይዘውር።
15ሃካይ ንኢዱ ናብ ጻሕሊ የእትዋ እሞ፡ ናብ ኣፉ ምምላስ ድኻም ይዀኖ።
16ሃካይሲ ኻብ ሾብዓተ ሰብ ብምስትውዓል ዝምለሱ ንሱ ብጥበብ ዝበለጸ ይመስሎ።
17እቲ ናብ ዘይነገሩ ዘኣቱ ሓላፍ መገዲ ከምቲ ንእዝኒ ኸልቢ ዝሕዝ እዩ።
18-19እቲ ንብጻዩ ጠቢርዎስ፡ ክጻወተካ እየ ዝገበርክዎ፡ ዝብል እያድን ፍላጻን ሞትን ከም ዝውርውር ዕቡድ እዩ።
20ዕጨይቲ እንተ ተወድአ፡ ሓዊ ይጠፍእ፡ ሓማዪ እንተ ዘየሎ ኸኣ ባእሲ ይውዳእ።
21ከሰል ንጓህሪ ዕጨይቲ ንሓዊ ኸም ዝኸውን፡ ናግራም ሰብኣይ ከኣ ከምኡ ባእሲ የሳውር።
22ዘረባ ሓማዪ ኸኣ ጥዑም ኵላሶ እዩ እሞ፡ ክሳዕ ውሽጢ መዓንጣ ይወርድ።
23ርሱን ከናፍርን እኩይ ልብንሲ ብዓፍራ ብሩር ከም እተለበጠ ኣቕሓ መሬት እዩ።
24ጸላኢ ብኸናፍሩ የምስል፡ ኣብ ውሽጡ ግና ጥበራ የንብር።
25ኣብ ልቡ ሾብዓተ ዘፈንፍን ኣለዎ እሞ፡ ድምጹ ኣልዚቡ እንተ ተዛረበ እኳ፡ ኣይትእመኖ።
26ጽልኡ ብተንኰል እንተ ተሓብአ እኳ፡ ክፍእቱስ ኣብ ማሕበር ክቕላዕ እዩ።
27ጕድጓድ ዝዅዕት ኣብኣ ይወድቕ፡ እምኒ ዘንከባልል ከኣ ንሳ ትምለሶ።
28ሓሳዊት ልሳን ነቶም ዘቝሰለቶም ትጸልኦም፡ መቀባጠሪ ኣፍ ከኣ ጥፍኣት የምጽእ።
መ. ምሳሌ ምዕራፍ 27
1መዓልቲ እትወልዶ ኣይትፈልጥን ኢኻ እሞ፡ ብጽባሕ ኣይትመካሕ።
2ካልእ ይንኣድካ፡ ጓና እምበር፡ ከናፍርካ ኣይኰነን።
3እምኒ ኸቢድ እዩ፡ ሑጻ ኸኣ ረዚን እዩ፡ ካብ ክልቲኡ ግና ኣንጸርጽሮት ዓሻ ይኸብድ።
4ቍጥዓ ጨካን እዩ፡ ኵራውን ውሒዝ እዩ፡ ኣብ ቅድሚ ቅንኢ ግና መን ደው ይብል፡
5ካብ ሕቡእ ፍቕሪ ግሉጽ ተግሳጽ ይሓይሽ።
6ናይ ፈታዊ ምቝሳል እሙን እዩ፡ ጸላኢ ግና ኣብዚሑ ይስዕም።
7ንዝጸገበት ነፍስስ ወለላ መዓር ትርግጽ፡ንዝጠመየት ነፍሲ ግና ኵሉ መሪር እኳ ጥዑም እዩ።
8ካብ ቤቱ ወጺኡ ዝዅብልል ሰብ፡ ቤታ ሓዲጋ ኸም እትዅብልል ዑፍ እዩ።
9ቅብእን ዕጣንን ንልቢ የሓጕሶ፡ ጣዕሚ ፈታዊ ምስናይ ምኽሪ ነፍሱ ኸኣ ከምኡ እዩ።
10ፈታዊኻን ፈታው ኣቦኻን ኣይትሕደግ፡ ብመዓልቲ ጸበባኻ ናብ ቤት ሓውካ ኣይትኺድ፡ ካብር ርሑቕ ዘሎ ሓውስ ኣብ ቀረባ ዘሎ ጐረቤት ይሕርይሽ።
11ወደየ፡ ነቲ ዝጸርፈኒ ምላሽ ምሃቡ ክኽእልሲ፡ ጥበበኛ ኹን፡ ንልበይውን ኣሕጕሶ።
12ኣስተውዓሊ ሰብሲ እከይ ይርኢ እሞ ይሕባእ፡ ገርህታት ግና ንቕድሚት ይኸዱ እሞ ብእኡ ይጕድኡ።
13ነቲ ንጓና እተዋሕሰ ኽዳኑ ውሰደሉ፡ ኣብ ክንዲ እታ ጓና ኻብኡ ታሕዚ ውሰድ።
14እቲ ኣንጊሁ ዓው ኢሉ ንብጻዩ ዝምርቖ፡ ከም ዝረግም እዩ ዝቝጸር።
15ብመዓልቲ ጥሚቕ ከየቛረጸ ዝነጥብ ቤትን ናግራም ሰበይትን ሓደ እዮም።
16ንእኣ ምዕጋትሲ ንንፋስ ምዕጋትን ብየማነይትኻ ዘይቲ ምዕማዅን እዩ።
17ሓጺን ንሓጺን ይስሕሎ፡ ከምኡ ኸኣ ሰብ ንገጽ ብጻዩ ይስሕሎ።
18ንበለስ ዝኸናኸን፡ ፍሬኣ ይበልዕ፡ ንጐይታኡ ዝከናኸን ከኣ ይኸብር።
19ከምቲ ገጽ ንገጽ ኣብ ማይ ዘርእዩ፡ ከምኡ ኸኣ ልቢ ሰብ ንሰብ ይርእዮ።
20ሲኦልን መዓመቝን ከቶ ኣይጸግቡን፡ ከምኡውን ኣዒንቲ ሰብ ኣይጸግባን እየን።
21መምከኺ ንብሩር፡ እቶን ንወርቂ እዩ፡ ሰብ በቲ ዝነኣዶ ይፍለጥ።
22ንዓሻ ኣብ ሞጕእ ምስ ጕርዲ ብንኢ እንተ ትጐድኦ እኳ፡ እቲ ዕሽነቱ ኣይምሓደጎን።
23-24ሃብቲ ንሓዋሩዘውዲውን ንውሉድ ወለዶ ኣይነብርን እዩ እሞ፡ ሃለዋት ኣባጊዕካ ኣጸቡቕካ ፍለጥ፡ ንልብኻ ኣብ መጓሴኻ ኣንብሮ።
25ዕላም ሓሊፉ ለቕሚ በቝሉ፡ ኣብ ኣኽራን ድማ መኸል ተኣኪቡ።
26ዕያውቲ ንኽዳንካ፡ ድቤላውን መዓድግ ግራት ኣሎካ፡
27ጸባ ኣጣል ንምግብኻን ንምግቢ ስድራኻን ንቐለብ ኣግራድኻን ክኣክል እዩ።
መ. ምሳሌ ምዕራፍ 28
1ረሲኣን ዝሰጎም ዘይብሎም ይሃድሙ፡ ጻድቃን ግና ከም ሽደን ኣንበሳ ይተብዑ።
2ብሰሪ ኣበሳ ሃገርሲ ሓለቓታታ ይበዝሑ፡ ብሳላ ኣስተውዓልን ጥበበኛን ሰብ ግና ህልዋታ ይነውሕ።
3ንመስኪን ዘጨንቕ ድኻስ፡ ከምቲ ደምሲሱ እንጌራ ዝኸልእ ዝናም እዩ።
4መፍረስቲ ሕጊ ንረሲኣን ይንእድዎም፡ ሓለውቲ ሕጊ ግና ይዋግእዎም።
5እኩያት ሰባትሲ ቅንዕና ኣየስተውዕሉን፡ እቶም ንእግዚኣብሄር ዝደልይዎ ግና ኵሊ የስተውዕሉ።
6ካብቲ ብጠዋይ መገዲ ዝኸይድ ሃብታምሲ፡ ንብጽህና ዝመላለስ ድኻ ይሓይሽ።
7ንሕጊ ዝሕልዎስ ኣስተውዓሊ ውሉድ እዩ፡ ምስ ሓሻሻት ዝመሓዞ ግና ነቦኡ የሕፍሮ።
8እቲ ብዘይ ግባእ ረብሓን ሓረጣን ገንዘቡ ዘብዝሕ፡ ነቲ ንመሳኺን ዝርሕርሓሎም ይእክበሉ።
9እቲ ሕጊ ከይሰምዕ ኢሉ እዝኑ ዝመልስ፡ ጸሎቱ እኳ ፍንፉን ኡዩ።
10እቲ ንቕኑዓት ኣጋግዩ ናብ እኩይ መገዲ ዘእትዎም፡ ባዕሉ ኣብ ጕድጓድ ይወድቕ፡ እቶም ፍጹማት ግና ሰናይ ክወርሱ እዮም።
11ሃብታም ሰብ ጥበበኛ ዝዀነ ይመስሎ፡ ግናኸ ኣእምሮ ዘለዎ ድኻ ይዕዘቦ።
12ጻድቃን እንተ ተዓወቱ፡ ዓብዪ ኽብሪ ይኸውን፡ ረሲኣን ልዕል እንተ በሉ ግና፡ ሰብ ይሕባእ።
13ገበኑ ዝኽውል ኣይሰልጦን፡ እቲ ዝናዘዘሉ እሞ ዝሓድጎ ግና ምሕረት ይረክብ።
14ኵሉ ግዜ ዝፈርህ ሰብ ብጹእ እዩ፡ ልቡ ዘትርር ግና ኣብ መከራ ይወድቕ።
15ኣብ ድኻ ህዝቢ ዝገዝእ ረሲእ ከም ዝጓዝም ኣንበሳን ከም ጥሙይ ድብን እዩ።
16ኣእምሮ ዘይብሉ መስፍን ብዙሕ ይገፍዕ፡ ንፍገት ዝጸልእ ግና መዓልትታቱ የንውሕ።
17ደም ነፍሲ ዝኸበዶ ሰብ ክሳዕ መቓብር ይሃድም፡ ሓደ እኳ ኣይዕገቶ።
18ብዘይ መንቅብ ዝመላለስ ይድሕን፡ ብጠዋይ መገዲ ዝኸይድ ግና ብኡብኡ ይወድቕ።
19ግራቱ ዝከናኸን እንጌራ ይጸግብ፡ ደድሕሪ ምናምን ዝስዕብ ግና ሽጋር ይጸግብ።
20እሙን ሰብ ኣዝዩ ይባረኽ፡ እቲ ኽህብትም ኢሉ ዝህወኽ ግና ከይተቐጽዐ ኣይተርፍን።
21ኣድልዎ ሰናይ ኣይኰነን፡ ሰብ ምእንቲ ቝራስ ኣንጌራ ይብድል።
22ክፉእ ዝዓይኑ ሰብ ክህብትም ይቕልጥፍ፡ ሽጋር ከም ዝወርዶ ኸኣ ኣይፈልጥን።
23ካብቲ ብልዙብ ልሳን ዘቀባጥርሲ፡ እቲ ንሰብ ዝግስጾ ደሓር ዝበለጸ ሞገስ ይረክብ።
24እቲ ኻብ ኣቦኡን ኣዲኡን ዝሰርቕ እሞ፡ ሓጢኣት ኣይኰነን፡ ዝብል፡ ንሱ መሓዛ መጣፍኢ እዩ።
25ረብሓ ዝሃርፍ ሰብ ባእሲ የልዕል። ብእግዝኣብሄር ዝእመን ግና ይጸግብ።
26ብልቡ ዝእመን ዓሻ እዩ፡ ብጥበብ ዝመልለስ ግና የምልጥ።
27ንድኻ ዝህብ ገለ ኣይጐድሎን፡ ነቲ ኣዒንቱ ዝዕምቶ ግና ብዙሕ መርገም ይወርዶ።
28ረሲኣን ልዕል እንተ በሉ፡ ሰብ ይሕባእ፡ እንተ ጠፍኡ ግና፡ ጻድቃን ይዕምሩ።
መ. ምሳሌ ምዕራፍ 29
1እቲ ብዙሕ ተገሲጹ ክሳዱ ዘትርር ሰብ ብድንገት ይጭፍለቕ፡ መድሃኒትውን የብሉን።
2ጻድቃን እንተ ዓመሩ፡ ህዝቢ ይሕጐስ፡ ረሲእ እንተ ሰልጠነ ግና፡ ህዝቢ የስቈርቍር።
3ጥበብ ዝፈቱ ሰብ ነቦኡ የሐጕሶ፡ ምስ ኣመናዝር ዝመሓዞ ግና ገንዘቡ ይውድእ።
4ንጉስ ንሃገር ብፍርዲ የጽንዓ፡ ፈታው መማለጃ ግና የጥፍእ።
5እቲ ንብጻዩ ዘቀባጥረሉ ነእጋሩ መጻወድያ ይገብረሉ።
6ኣብ ገበን እኩይ ሰብ መፈንጠራ ኣሎ፡ ጻድቕ ግና እልል ይብል ይሕጐስውን።
7ጻድቕ ንገበን ድኻታት የስተውዕሎ፡ ረሲእ ግና ምስትውዓል ኣይፈልጥን።
8መላገጽቲ ሰብ ከተማ የንድዱ፡ ጠቢባን ግና ኵራ ይመልሱ።
9ጠቢብ ምስ ዓሻ እንተ ተማጐተ፡ ወይ ይዅሪ ወይ ከኣ ይስሕቕ፡ ዕረፍቲ የብሉን።
10እቶም መፍሰስቲ ደም ንፍጹም ሰብ ይጸልእዎ፡ ቅኑዓት ግና ነፍሱ ይደልዩ።
11ዓሻ ንዅሉ ዅራኡ ይድርጕሖ፡ ጥበበኛ ግና ይዓግቶ የህድኦውን።
12እቲ ብሓሶት ጽን ዝብል መኰንን፡ ኵሎም ገላውኡ ረሲኣን እዮም።
13ድኻን ጠቓዕን ይራኸቡ፡ ነዒንቲ ኽልቲኦም ዘብርህ እግዚኣብሄር እዩ።
14እቲ ንመስኪን ብቕንዕና ዘፈርዶም ንጉስ፡ ዝፋኑ ንሓዋሩ ይጸንዕ።
15ሸቦጥን ተግሳጽን ጥበብ ይህብ፡ ስዲ ዝኸደ ውሉድ ግና ንወላዲቱ የሕፍር።
16ረሲኣን እንተ በዝሑ፡ ገበን ይበዝሕ፡ ጻድቃን ግና ውድቀቶም ይርእዩ።
17ንውሉድካ ቕጽዓዮ እሞ ከዕርፈካ፡ ንነፍስኻውን ተድላ ክዀና እዩ።
18ራእይ ዘየልቦ እንተ ዀነ፡ ህዝቢ ስዲ ይኸይድ፡ ሕጊ ዝሕሉ ግና ብጹእ እዩ።
19ባርያ፡ ምንም እኳ እንተ ኣስተውዓለ፡ ኣይእዘዝን እዩ እሞ፡ ብዘረባ ኣይቅጻዕን።
20ተሃዊኹ ዝዛረብ ሰብዶ ርኢኻ፡ ካብ ብእኡስ ብዓሻ ተስፋ ኣሎ።
21እቲ ኻብ ንእስነቱ ጀሚሩ ብሕንቃቐ ዝዓበየ ባርያ ኣብ መወዳእታ ውሉድ ይኸውን።
22ቍጡዕ ሰብ ባእሲ የልዕል፡ ተነቃፊ ሰብ ሓጢኣት የብዝሕ።
23ንሰብ ትዕቢት የዋርዶ፡ ብመንፈሱ ትሑት ዝዀነ ግና ክብረት ይረክብ።
24እቲ ምስ ሰራቒ ዝሓብር ንነፍሱ ይጸልኣ፡ ንሱ መርገም ይሰምዕ ገለ ኸኣ ኣይገልጽን።
25ንሰብ ምፍራህ ኣብ መፈንጠራ የእቱ፡ብእግዚኣብሄር ዝእመን ግና ኣብ ደሓን ይነብር።
26ብዙሓት ሰብ ሞገስ ገዛኢ ይደልዩ፡ ፍርዲ ነፍሲ ግና ካብ እግዚኣብሄር እዩ።
27ሓጢኣተኛ ሰብ ኣብ ቅድሚ ጻድቃን ፍንፉን እዩ፡ እቲ ብቕኑዕ መገዲ ዝመላለስ ከኣ ኣብ ቅድሚ ረሲኣን ፍንፉን እዩ።
መ. ምሳሌ ምዕራፍ 30
1እዚኣ ናይ ኣጉር ወዲ ያቂ ቃላትን ንግራትን እያ። እቲ ሰብኣይ እቲ ንኢቲኤል፡ ንኢቲኤልን ንኡካልን ከምዚ ይብል፡
2ብርግጽ ካብ ዝዀነ ይኹን ሰብ ኣነ ደንቆሮ እየ፡ ኣእምሮ ሰብ የብለይን።
3ጥበብ ኣይተምሃርኩን፡ ፍልጠት እቲ ቅዱስ የብለይን።
4ናብ ሰማይ ዝደየበ እሞ ዝወረደ መን እዩ፡ ንንፋስ ኣብ ዕምኩ ዝኣከቦ መን እዩ፧ ንማያት ኣብ ክዳኑ ዝቘጸሮ መን እዩ፧ ንብዘሎ ወሰናት ምድሪ ዘጽንዐ መን እዩ፧ እንታይ እዩ ስሙ፧ ስም ወዱኸ እንታይ እዩ፧ እዚዶ ትፈልጥ ኢኻ፧
5ቃል ኣምላኽ ብዘሎ ዅሉዕ እዩ፡ ንሱ ነቶም ናብኡ ዝዕቈቡ ዋልታኦም እዩ።
6ከይዝልፈካ፡ ሓሳዊ ዄንካ ኸኣ ከይትርከብሲ፡ ናብ ቃሉ ሓንቲ እኳ ኣይትወስኽ።
7ኣነ ኽልተ ነገር እየ ዝልምነካ፡ ክሳዕ ዕለተ ሞተይ ንእአን ኣይትኽልኣኒ፡
8-9ጸጊበስ ከይክሕደካ እሞ፡ እግዚኣብሄር መን እዩ፧ ከይብል፡ወይ ደኽየስ ከይሰርቕ እሞ ስም ኣምላኸይ ከየቃልልሲ፡ ድኽነትን ሃብትን ኣይትሃበኒ፡ ግናኸ በቲ ዘድልየኒ እንጌራ መግበኒ፡ ከንቱነትን ሓሶትን ኣርሕቐለይ።
10ምእንቲ ኸይረግመካ፡ በዳሊ ኸኣ ከይትኸውንሲ፡ ንግልያ ኣብ ቅድሚ ጐይታኡ ኣይትሕመዮ።
11ነቦኡ ዝረግም፡ ነዲኡ ኸኣ ዘይምርቕ ወለዶ ኣሎ።
12ርኽሰቱ ዘይተሓጽበስ፡ ኣነ ንጹህ እየ፡ ዝብል ወለዶ ኣሎ።
13ዕቡይ ዝዓይኑ፡ ኵሩዕ ዝቘላሕታኡ ወለዶ ኣሎ።
14ነመሳኪን ካብ ምድሪ፡ ንድኻታት ካብ ማእከል ደቂ ሰብ ምእንቲ ኽውሕጦምሲ፡ ሰይፊ ዝስኑ፡ ካራታት ዝዅርምቱ ወለዶ ኣሎ።
15ዓለቕትስ፡ ሃበኒ፡ ሃበኒ፡ ዝብላ ኽልተ ኣዋልድ ኣለዋኦ። ዘይጸግቡ ሰለስተ እዮም፡ አረ ይኣክል ዝይብሉስ ኣርባዕተ እዮም፡
16ሲኦልን ዘይወልድ ማሕጸንን ማይ ዘይጸግብ መሬትን ይኣኽለኒ ዘይብል ሓውን እዮም።
17እቲ ነቦኡ ዘባጭዎ ነዲኡ ኸኣ ከይእዘዛ ዝንዕቃ፡ ንዓይኑ ኳዃት ርባ ኽጕጥጕጥዎ፡ ጨጫዊት ንስሪ ኸኣ ኽበልዕዋ እዮም።
18ኣዝዩ ዝገርመኒ ሰለስተ ነገር ኣሎ፡ አረ ዘይፈልጦስ ኣርባዕተ እዩ፡
19መገዲ ንስሪ ኣብ ሰማይ፡ መገዲ ተመን ኣብ ከውሒ፡ መገዲ መርከብ ኣብ ማእከል ባሕሪ፡ መገዲ ሰብኣይ ምስ ቆንጆ።
20ኣመንዝራ ሰበይቲውን መገዳ ኸምኡ እዩ፡ በሊዓ እፋ ሕብስ ኣቢላ፡ ገለ እከይ እኳ ኣይገብርኩን፡ ትብል።
21ምድሪ ብሰለስተ ነገር ተንቀጥቅጥ፡ አረ ኽትጾሮ ዝይትኽእልሲ ኣርባዕተ እዩ።
22ባርያ እንተ ነገሰ፡ ዓሻ እንጌራ እንተ ጸገበ፡
23እተጸልአት ሰበይቲ ሰብኣይ እንተ ረኸበት፡ ገረድ ከኣ ንእምበይታ እንተ ወረሰታ።
24ኣብ ምድሪ ኣርባዕተ ደቀቕቲ ኣለዉ፡ ግናኸ ኣዝዮም ጥበበኛታት እዮም።
25ጻጸ ሓይሊ ዘይብሉን ህዝቢ እዩ፡ ግናኸ ምግቡ ብሓጋይ የዳሉ።
26ጊሔታይ ሃይሊ ዘይብለን ህዝቢ እየን፡ ግናኸ ኣባይተን ኣብ ኣኻውሕ ይገብራ።
27ኣንበጣ ንጉስ የብሉን፡ ግናኸ በገባብ ሓቢሩ ይጕዓዝ።
28ጠበቕ ብኢድካ ምሓዙ ዝከኣል እዩ፡ ግናኸ ኣብ ኣደራሽ ነገስታት ይርከብ።
29ስለስተ ብጽቡቕ ኣኻይዳ ይስጕሙ፡ አረ ግሩም ገይሮም ዝራመዱስ ኣርባዕተ እዮም፡
30ካብ ኵሉ እንስሳ ዝብርትዕ፡ ብገለ እኳ ድሕር ዘይብል ኣንበሳ፡
31ናብ ውግእ ዝነቅል ፈረስ፡ ድቤላ፡ ቀቅድሚ ሰራዊቱ ዝኸይድ ንጉስ።
32-33ርጕኦ እንተ ተሓቝነ፡ ልኻይ የውጽእ፡ ኣፍንጫ እንተ ተወቕዐ፡ ደም የውጽእ፡ ከምኡ ኸኣ ኵራ ዝቕስቅስ ባእሲ የልዕል እዩ እሞ፡ ርእስኻ ልዕል ኣቢልካ ዕሽነት እንተ ገበርካ፡ ወይስ እንተ ሓሰብካ፡ ኣፍካ ብኢድካ ዕበስ።
መ. ምሳሌ ምዕራፍ 31
1ቃላት ንጉስ ልሙኤል፡ ኣዲኡ ዝመሃረቶ ንግራት፡
2ኣየ፡ ኣታ ወደየ፡ እንታይ፧ ኣታ ውሉድ ከርሰይ፡እንታይ፡ እንታይ እሞ፡ኣታ ወዲ መብጽዓይ፡
3ሓይልኻ ነንስቲ፡ መገድኻ ኸኣ ነተን መጥፋእቲ ነገስታት ኣይትሃብ።
4-5ልሙኤለየ፡ ሰትዮም ሕጊ ኸይርስዑ እሞ፡ ፍርዲ ዅሎም ግፉዓት ከይልውጡስ፡ እዚ ኣይንነገስታትን እዩ፡ ነገስታት ወይኒ ኽሰትዩ፡ መሳፍንቲ፡ ዘስክር መስተ ኣበይ ኣሎ፡ ክብሉ ኣይግባእን።
6ብርቱዕ መስተስ ነቲ ናብ ጥፍኣት ዝቐረበ፡ ወይኒ ኸኣ ነቶም ነፍሶም እተመረረት ሰባት ደኣ ሃቡ።
7ይስተ እሞ ድኽነቱ ይረስዕ፡ መከራኡ ኸኣ ኣይዘክር።
8ኣብ ክንዲ ዓባስ፡ ኣብ ክንዲ እቶም ጸግዒ ዘይብሎም ኣፍካ ኽፈት።
9ኣፍካ ኽፈት፡ ብቕንዕና ፍረድ፡ ንሽጉርን ንመስኪንን ብይን ኣውጽኣሎም።
10ደገኛ ሰበይትስ መን ይረኽባ፡ዋጋኣ ኻብ ክቡር ዕንቍ ኣዝዮ ይኸብር።
11ልቢ ሰብኣያ ይእመና፡ እቶቱ ከቶ ኣየቋርጽን።
12ንሳ ምሉእ ዕድሚኣ ሰናይ እምበር፡ ክፉእ ኣይትገብሮን።
13ጸጕርን ልሕጺ እንጣጢዕን ትደሊ፡ ተሓጕሳ ኸኣ ብኢዳ ትዓዪ።
14ንሳ ኸም መርከብ ነጋዶ እያ፡ ካብ ርሑቕ ምግባ ተምጽእ።
15ገና ለይቲ ኸሎ፡ ትትንስእ እሞ፡ ንስድራ ቤታ ምግቦም ትህቦም፡ ነግራዳ ኸኣ ሰስርሐን ተትሕዘን።
16ግራት ትምልከት እሞ ትዕድጎ፡ ብፍረ ኣእዳዋ ኸኣ ኣታኽልቲ ወይኒ ትተክል።
17ሕቝኣ ብሓይሊ ይዕጠቕ፡ ቀላጽማ ኸኣ ተበርትዕ።
18ኣቓሑ ንግዳ ጽቡቕ ዝዀነ ትርኢ፡ መብራህታ ብለይቲ ኣይጠፍእን።
19ኣእዳዋ መፍተል የልዕላ፡ ኣጻብዓውን ቍኒን ይሕዛ።
20ንሽጉራት ኢዳ ትዝርግሓሎም፡ ንጽጉማት ከኣ ኣእዳዋ ትሰደሎም።
21ኵሎም ስድራኣ ሰብ ድርብ ክዳን እዮም እሞ፡ ስለ ስድራኣ ብውርጪ ኣይትፈርህን።
22ንርእሳ ምንጻፋት ትገብር፡ ክዳውንታውን በፍታን ጁዅን እዩ።
23ሰብኣያ ኣብ ደገ ኣብ ማእከል ዓበይቲ ዓዲ ምስ ዝቕመጥ ምርኡይ እዩ።
24ጽቡቕ ቀሚሽ ኣእሊማ ትሸይጥ፡ መቐነት ንነጋዳይ ትህቦ።
25ሓይልን ክብረትን ልብሳ እዩ፡ ነቲ ዝመጽእ መዓልቲ ትስሕቆ።
26ኣፋ ብጥበብ ትኸፍት፡ ትምህርቲ ለውሃት ድማ ኣብ ልሳና እዩ።
27ንብረት ቤታ ትህሉ፡ እንጌራ ትህኪት ኣይትበልዕን።
28-29ደቃ ይትንስኡ ብርኽቲ ኸኣ ይብልዋ፡ ሰብኣያ ድማ፡ ብዙሃት ኣንስቲ ጽቡቕ ዝገበራ ኣለዋ፡ ንስኺ ግና ንዅላተን ትበልጽየን፡ ኢሉ ይንእዳ።
30ጽባቐ መልክዕ ጠባሪ እዩ፡ ውቃበ ኸኣ ከንቱ እዩ፡ ንእግዚኣብሄር እትፈርህ ሰበይቲ ግና ትንኣድ።
31ካብ ፍረ ኣእዳዋ ሃብዋ፡ ኣብ ደጌታትውን ተግባራ ይንእዳ።