ካልኣይ መጽሓፍ ዜና መዋእል

1  2  3   5  6  7  8  9
10  11  12    13  14  15
16  17  18  19  20  21
22  23  24  25  26  27
28  29  30  31  32
33  34  35  36

        2ይ. ዜና ምዕራፍ 1            

   1ሰሎሞን ወዲ ዳዊት ከኣ ኣብ መንግስቱ ጸንዐ። እግዚኣብሄር ኣምላኹ ድማ ምስኡ ነበረ፡ ኣዝዩ ልዕል ኣቢሉ ኸኣ ኣዕበዮ። 2ሰሎሞን ድማ ንብዘሎ እስራኤል፡ ንሓላቑ ሽሕን ሚእትን ንፈረድትን ንዂሎም መሳፍንቲ እስራኤልን ዋናታት ማይ ቤት ኣቦታት፡ ተዛረቦም።
3እቲ ሙሴ ባርያ እግዚኣብሄር ኣብ በረኻ ዝገበሮ ናይ ኣምላኽ ድንኳን ምርኻብ ኣብኡ ስለ ዝነበረ፡ ሰሎሞን፡ ብዘሎ ማሕበር ከኣ ምስኡ ናብቲ ኣብ ጊብዖን ዘሎ በሪኽ ከዱ። 4ግናኸ ዳዊት ኣብ የሩሳሌም ድንኳን ተኺሉሉ ነበረ እሞ፡ ነቲ ታቦት ኣምላኽ ካብ ቂርያት የረዓም ናብታ ንሱ ዘዳለወትሉ ቦታ ኣደይብዎ ነበረ። 5እቲ በሳልኤል፡ ወዲ ኡሪ ወዲ ሁር፡ ዝገበሮ መሰውኢ ኣስራዚ ግና ኣብ ቅድሚ ማሕደር እግዚኣብሄር ነበረ። ሰሎሞንን እታ ማሕበርን ከኣ ኣብኡ ይጥይቑ ነበሩ። 6ሰሎሞን ድማ ናብኡ ደዪቡ፡ ኣብቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብቲ ድንኳን ምርኻብ ዝነበረ መሰውኢ ኣስራዚ ኣብ ልዕሊኡ ሽሕ ዝሓርር መስዋእቲ ሰውኡ።
7ኣምላኽ ከኣ በታ ለይቲ እቲኣ ንሰሎሞን ተራእዮ፡ እንታይ ከም ዝህበካ ለምን፡ ድማ በሎ። 8ሰሎሞን ከኣ ንኣምላኽ በሎ፡ ንስኻ ነቦይ ዳዊት ዓብዪ ምሕረት ገበርካሉ፡ ንኣይ ድማ ኣብ ክንዳኡ ኣንገስካኒ። 9ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ምብዛሑ ኸም ሓመድ ምድሪ ኣብ ዝዀነ ህዝቢ ንስኻ ኣንጊስካኒ ኢኻ እሞ፡ ነቲ ነቦይ ዳዊት ዝነገርካዮ ቓል ሕጂ ፈጽሞ። 10ነዚ ዓብዪ ህዝብኻ እዝስ መን ክፈርዶ ይኽእል፡ እምበኣርሲ ኣብ ቅድሚ እዚ ህዝቢ እዚ ኽወጽእን ክኣቱን ጥበብን ፍልጠትን ሃበኒ፡ በለ። 11ኣምላኽ ድማ ንሰሎሞን፡ እዚ ኣብ ልብኻ ስለ ዝነበረ፡ ነዚ ኣብ ልዕሊኡ ዘንገስኩኻ ህዝበይ ምፍራድ ምእንቲ ኽትክእልስ፡ ጥበብን ፍልጠትን ክውሃበካ ስለ ዝለመንካ እምበር፡ ሃብትን መዛግብትን ክብረትን ወይ ነፍሲ ጸላእትኻ ወይ ነዊሕ ዕድመ ኻብ ዘይለመንካስ፡ 12ጥበብ ፍልጠትን ተዋሂቡካ ኣሎ። ድማ ቅድሜኻ ንዝዀነ ዘበለ ንጉስ ከምኡ ዝበለ ዘይነበሮ፡ ብድሕሬኻ ዝትንስእ ዘበለውን ከምኡ ዝበለ ዘይረኽቦ፡ ሃብትን መዛግብትን ክብረትን ክህበካ እየ፡ በሎ። 13ሰሎሞን ድማ ካብቲ ኣብ ጊብዖን ዝነበረ በሪኽ ካብ ቅድሚ እቲ ድንኳን ምርኻብ ናብ የሩሳሌም መጸ። ኣብ ልዕሊ እስራኤል ከኣ ገዝአ።
14ሰሎሞን ድማ ሰረገላታትን ፈረሰኛታትን ኣከበ፡ ሽሕን ኣርባዕተ ሚእትን ሰረገላን ዓሰርተው ክልተ ሽሕ ፈረሰኛታትን ነበርዎ። ኣብ ከተማታት ሰረገላን ኣብ የሩሳሌምን ምስ ንጉስ ኣቐመጦም። 15እቲ ንጉስ ድማ ኣብ የሩሳሌም ወርቅን ብሩርን ከም እምኒ ገበሮ፡ ንቄድሮስውን ኣብ ቈላ ኸም ዘሎ ሳግላ ዝምብዛሑ ገበሮ። 16እቶም ንሰሎሞን ዝነበርዎ ኣፍራስ ከኣ ካብ ግብጺ እዮም ዘምጽእዎ ዝነበሩ፡ ናይ ንጉስ ነጋዶ ብጒዕዞታት፡ ነንጒዕዞ ብዋጋኡ፡ ተቐበልዎም። 17ሰሰረገላ ብሹድሽተ ሚእቲ ሲቃል ብሩር፡ ፈረስ ከኣ ብሚእትን ሓምሳን ዓዲጎም፡ ካብ ግብጺ ኣምጽኡ፡ ከምኡ ድማ ብኢዶም ንዂሎም ነገስታት ሔታውያንን ንነገሰታት ሶርያን የውጽኡሎም ነበሩ።

        2ይ. ዜና  ምዕራፍ 2           

   1ሰሎሞን ድማ ንስም እግዚኣብሄር ቤት፡ ንመንግስቱ ኸኣ ቤት ክሰርሕ ሓሰበ። 2ሰሎሞን ድማ ሰብዓ ሽሕ ጾር ዝጾሩ ሰብ፡ ሰማንያ ሽሕ ሰብውን ኣብ ከረን ኰይኖም ዝወቕሩ፡ ነዚኣቶም ዝሕልዉ ኸኣ ሰለስተ ሽሕን ሹድሽተ ሚእትን ቈጸረ።
3ሰሎሞን ድማ ናብ ሑራም ንጉስ ጢሮስ፡ ልኢኹ በሎ። ከምቲ ነቦይ ዳዊት፡ ንሱ ዝነብረላ ቤት ክሰርሕስ፡ ኣእዋም ቄድሮስ ብምስዳድካ ዝገበርካሉ፡ ንኣይ ከኣ ከምኡ ግበረለይ። 4እንሆ፡ ኣነ ንስም እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ዝቕድሰሉ ቤት ክሰርሕ እየ፡ ኣብኣ ኣብ ቅድሚኡ ጥዑም ዝጨናኣ ዕጣን ክዓጥኑ፡ እንጌራ ምርኣይውን ኲሉ ግዜኽሰርዑ፡ ንግሆን ምሸትን በብሰናብትን ሰርቂ ወርሕን ብበዓላት እግዚኣብሄር ኣምላኽናን ከኣ ዝሓርር መስዋእቲ ኸዕርጉ። እዚ ንእስራኤል ንሓዋሩ ተሓጊጉሎም እዩ። 5ኣምላኽና ድማ ካብ ኲሎም ኣማልኽቲ ዝዓቢ እዩ እሞ፡ እታ ኣነ ኽሰርሓ ኢለ ዘሎኹ ቤት ዓባይ ክትከውን እያ። 6ንእኡ ሰማያትን ሰማየ ሰማያትን እኳ ኣይኣኽሎን እዩ እሞ፡ ቤት ክሰርሓሉ ዝኽእል መን ኣሎ፡ ኣነኸ፡ ኣብ ቅድሚኡ ዕጣን ምእንቲ ኽዓጥነላ እንተ ዘይኰይኑስ፡ ቤት ዝሰርሓሉ መን እየ፡ 7ሕጂ ድማ ብወርቅን ብብሩርን በስራዝን ብሓጺንን ብሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን ሰማያውን ክዓዪ ጥበብ ዘለዎ ምስቶም ኣቦይ ዳዊት ዘዳለዎም ኣብ ይሁዳን ኣብ የሩሳሌምን ምሳይ ዘለዉ ብልሓተኛታት ሰባት ኰይኑ፡ ኲሉ ዓይነት ቅርጺ ምቕራጽ ዝፈልጥ ሰብ ስደደለይ። 8ገላዉኻ ምቑራጽ ኣእዋም ሊባኖስ ከም ዘስተውዕሉ፡ እፈልጥ ኣሎኹ እሞ፡ ካብ ሊባኖስውን ኣእዋም ቄድሮስን ጽሕድን ሰንደልን ስደደለይ። እንሆ ድማ ገላዎይ ምስ ገላዉኻ ክዀኑ እዮም። 9እታ ኣነ ዝሰርሓ ቤት ከኣ ዓባይን ግርምትን ክትከውን እያ እሞ፡ ብዙሕ ኣእዋም የዳልዉለይ። 10እንሆ ኸኣ፡ ንገላዉኻ፡ እቶም ኣእዋም ዝቘርጹ፡ ዕስራ ሽሕ ቆሮስ ክዩድ ስርናይን ዕስራ ሽሕ ቆሮስ ስገምን ዕስራ ሽሕ ባት ወይንን ዕስራ ሽሕ ባት ዘይትን እህብ። 11ሑራም ንጉስ ጢሮስ ድማ ደብዳበ ጽሒፉ፡ ንሰሎሞን ከምዚ ኢሉ ምላሽ ሰደደሉ፡ እግዚኣብሄር ንህዝቡ ስለ ዝፈተዎ፡ ንኣኻ ኣብ ልዕሊኦም ንጉስ ገበረካ። 12ሑራም ድማ ቀጺሉ በለ፡ ንእግዚኣብሄር እትኸውን ቤትን ንርእሱ እትኸውን ቤተ መንግስትን ዝሰርሕ፡ ኣእምሮን ምስትውዓልን ዘለዎ ብልሂ ወዲ ንንጉስ ዳዊት ዝሃቦ፡ ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ይባረኽ። 13ሕጂ ድማ ሑራም ኣቢ ዝበሃል ብልህን ኣስተውዓልን ሰብኣይ እሰደልካ ኣሎኹ፡ 14ንሱ ወዲ ሓንቲ ሰበይቲ፡ ካብ ኣዋልድ ዳን፡ እዩ፡ ኣቦኡ ኸኣ ጢሮሳዊ ሰብኣይ ነበረ። ብዕዮ ወርቅን ብሩርን ኣስራዝን ሓጺንን እምንን ዕንጨይትን ሕብሪ ደምን ሰማያዊ ልሕጺ ድማ ምቕራጽ ዝፈልጥ፡ ኲሉ ዓይነት ብልሓት ስራሕውን ክሓስብ ዝኽእል እዩ። ንእኡ ምስ ብልህታትካን ምስ ናይ ኣቦኻ ጐይታይ ዳዊት ብልህታትን ሕብረት ይወሃቦ። 15እምበኣርሲ ሕጂ፡ እቲ ጐይታይ ብዛዕባኡ እተዛረቦ ስርናይን ስገምን ዘይትን ወይንን ንባሮቱ ይስደደሎም። 16ንሕና ኸኣ ኣብ ሊባኖስ ከም ዘድልየካ ኣእዋም ክንቈርጽ ኢና፡ ብባሕሪ እናሰፈፍናውን ናብ ያፎ ነብጽሓልካ፡ ንስኻ ድማ ናብ የሩሳሌም ተደይቦ።
17ሰሎሞን ድማ ኣብ ምድሪ እስራኤል ዝነበሩ ዂሎም ጓኖት ሰብኡት ቈጸሮም፡ እዚ ድሕሪ እቲ ኣቦኡ ዳዊት ዝቐጸሮም ምቑጻር ኰነ። ሚእትን ሓምሳን ሰለስተን ሽሕን ሹድሽተ ሚእትን ድማ ተረኽቡ። 18ካባታቶም ከኣ ሰብዓ ሽሕ ዝጾሩ፡ ሰማንያ ሽሕ ድማ ኣብ ከረን ኰይኖም ዝወቕሩ፡ ሰለስተ ሽሕን ሹድሽተ ሚእትን ነቲ ህዝቢ ዘዕይይዎ ሓለውቲ ኸኣ ገበረ።

        2ይ. ዜና  ምዕራፍ 3            

   1ሰሎሞን ድማ ኣብ የሩሳሌም፡ ኣብ ከረን ሞሪያ፡ ኣብታ እግዚኣብሄር ነቦኡ ዳዊት እተራእየሉ፡ ዳዊት ከኣ ኣዳልዩ ዝመደባ ቦታ፡ ኣብ ዓውዲ ኦርናን እቲ ይቡሳዊ ቤት እግዚኣብሄር ክሰርሕ ጀመረ። 2ኣብታ ራብዓይቲ ዓመት ግዝኣቱ፡ ኣብ ካልአይቲ ወርሒ፡ ካብታ ወርሒ ድማ ብኻልአይቲ መዓልቲ ኽሰርሕ ጀመረ። 3ሰሎሞን ንምስራሕ እታ ቤት ኣምላኽ ዝሰረቶ መሰረት ከኣ እዚ እዩ፡ ምንዋሑ በቲ ናይ ቀደም መለክዒ ስሳ እመት፡ ምግፋሑ ድማ ዕስራ እመት። 4እቲ ኣብ ቅድሚ እታ ቤት ዝነበረ ገበላ ኸኣ፡ ምንዋሑ ከም መጠን ምግፋሕ እታ ቤት፡ ዕስራ እመት፡ ቁመቱ ድማ ሚእትን ዕስራን እመት ነበረ። ነቲ ውሽጡ ኸኣ መጠን ምግፋሕ እታ ቤት፡ ዕስራ እመት፡ ቁመቱ ድማ ሚእትን ዕስራን እመት ነበረ። ነቲ ውሽጡ ኸኣ ብጽሩይ ወርቂ ለበጦ። 5ነታ ዓባይ ቤት ድማ ብሉሕ ጽሕዲ ኸደና፡ንእኡውን ብጽሩይ ወርቂ ለበጦ፡ ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ስየታትን ሰንሰለታትን ገበረ። 6ነታ ቤት ክስልማ ድማ ክቡር ኣእማን ገበረላ። እቲ ወርቂ ኸኣ ወርቂ ጳርዋይም እዩ ዝነበረ። 7ነታ ቤትን ነቲ ኣግማልን ንልዳውትን ንመንደቓታን መዓጹኣን ብወርቂ ለበጦ፡ ኣብቲ መንደቓት ድማ ኪሩቤል ቀረጸሉ። 8ናይ ቅድስተ ቅዱሳን ቤት ከኣ ገበረ፡ ምንዋሓ፡ ከም ምግፋሕ እታ ቤት፡ ዕስራ እመት፡ ምግፋሓ ድማ ዕስራ እመት ነበረ፡ ብሽዱሽተ ሚእቲ ታለንት ዝኣክል ጽሩይ ወርቂ ኸኣ ለበጣ። 9ሚዛን ሽንካራትውን ሓምሳ ሲቃል ወርቂ ነበረ። ነተን ኣብ ላዕሊ ዘለዋ ኽፍልታት ድማ ብወርቂ ለበጠን። 10ኣብታ ናይ ቅድስተ ቅዱሳን ቤት ከኣ ክልተ ናይ ወቐርቲ ስራሕ ብዝዀኑ ኪሩቤል ገበረ፡ ብወርቂ ድማ ለበጥዎም። 11ምንዋሕ ኣኽናፍ እቶም ኪሩቤል ከኣ ዕስራ እመት ነበረ። እታ ሓንቲ ኽንፊ ናይቲ ሓደ ሓሙሽተ እመት ነበረት። ንመንደቕ እታ ቤት ትትንኪ ነበረት፡ እታ ኻልአይቲ ኽንፊውን ሓሙሽተ እመት ነበረት። 12ክንፊ እቲ ኻልኣይ ኪሩብ ድማ ሓሙሽተ እመት ነበረት፡ ንመንደቕ እታ ቤት ትትንኪ ነበረት፡ እታ ኻልአይቲ ኽንፊ ኸኣ ሓሙሽተ እመት ነበረት እሞ፡ ንኽንፊ እቲ ኻልኣይ ኪሩብ ተርክብ ነበረት። 13ኣኽናፍ እዞም ኪሩቤል እዚኣቶም ዕስራ እመት ተዘርጊሐን ነበራ። በእጋሮም ከኣ ደው ኢሎም፡ ገጻቶም ናብ ቤት ኣቢሉ ነበረ። 14ድማ ካብ ሰማያውን ሕብሪ ደምን ጽሩይ ቀይሕን ልሕጺ እንጣጢዕን መጋረጃ ገበረ፡ ኪሩቤል ከኣ ገበረሉ።
15ኣብ ቅድሚ እታ ቤት ድማ፡ ሰሰላሳን ሓሙሽተን እመት ዝቑመቱ፡ ክልተ ዓንዲ ገበረ፡ እቲ ኣብ ረርእሶም ዝነበረ ጒልላት ከኣ ሓሙሽተ እመት ነበረ። 16ኣብታ ቤት ራእይ ድማ ሰንሰለታት ገይሩ፡ ኣብ ርእሲ እቲ ኣዕኑድ ገበረን። ሚእቲ ሮማን ገይሩ ኸኣ ኣብተን ሰንሰለታት ኣእተወን። 17ነቶም ኣዕኑድ ድማ ኣብ ቅድሚ እቲ መቕደስ፡ ሓደ ብየማን ሓደ ኸኣ ብጸጋም ኣቘምዎ፡ ስም እቲ የማናይ ያቂን፡ ስም እቲ ጸጋማይውን ቦዓዝ ኢሉ ኣውጽኣሎም።

        2ይ. ዜና  ምዕራፍ 4            

   1መሰውኢ ኸኣ ካብ ኣስራዚ ገበረ፡ ምንዋሑ ዕስራ እመት፡ ምግፋሑ ድማ ዕስራ እመት፡ ምብራኹውን ዓሰርተ እመት።
2ናይ ፍሲ ባሕሪ ድማ ካብ ወሰን ክሳዕ ወሰን ዓሰርተ እመት ዝምግፋሑ ብዙርያኡ ኸቢብ ገይሩ ሰርሐ፡ ቁመቱውን ሓሙሽተ እመት ነበረ። ብዘሎ እቲ ዙርያኡ ድማ ስፍራ ብሰላሳ እመት ዝምንዋሑ ገመድ ነበረ። 3ብታሕቲ ኸኣ ብዘሎ ዙርያኡ፡ ነቲ ባሕሪ ብዘሎ ዙርያኡ ዝኸበብዎ ምስሊ ኣብዑር ነበርዎ፡ በብእመት ዓሰርተ። እቶም ኣብዑር ኣብ ክልተ መስርዕ ኰይኖም፡ ምስቲ ባሕሪ ብሓንሳእ ዝፈሰሱ እዮም። 4ኣብ ልዕሊ ዓሰርተው ክልተ ብዕራይ ተነብረ፡ ሰለስተ ንሰሜን ገጾም፡ ሰለስተ ኸኣ ንምዕራብ ገጾም፡ ሰለስተውን ንደቡብ ገጾም፡ እቶም ሰለስተ ኸኣ ንምብራቕ ገጾም ነበሩ። እቲ ናይ ኲሎም ድሕሪት ከኣ ናብ ውሽጢ ኣቢሉ ነበረ። 5ምርጓዱ ድማ ስድሪ ነበረ፡ ወሰኑ ኸኣ ከም ስራሕ ወሰን ጽዋእ፡ ከም ዝዓምበበ ሹሻን ነበረ። ሰለስተ ሽሕ ባት ኣእትዩ ይሕዝ ነበረ።
6ብእኡ ምእንቲ ክሓጽቡ ድማ፡ ዓሰርተ ገበራ ሰርሐ፡ ሓሙሽተ ኣብ የማን፡ ሓሙሽተ ኸኣ ኣብ ጸጋም ኣንበረ። ነቲ ንዝሓርር መስዋእቲ ዝኸውን ነገር ኣብኡ ይሓጽቡ ነበሩ። እቲ ባሕሪ ግና እቶም ካህናት ዝሕጸቡሉ ዝነበረ እዩ።
7ድማ ካብ ወርቂ ነቲ ዓሰርተ ቐዋሚ ቐንዴል ከምቲ ብዛዕባኡ እተኣዘዘ ገበረ፡ ኣብቲ መቕደስ ከኣ ሓሙሽተ ብየማን፡ ሓሙሽተ ብጸጋም ገይሩ ኣንበሮም።
8ዓሰርተ ሰደቓ ድማ ገበረ፡ ኣብቲ መቕደስ ከኣ ሓሙሽተ ብየማን፡ ሓሙሽተ ብጸጋም ገይሩ ኣቘሞ። ማእቲ ጭሔሎ ወርቂውን ገበረ።
9ድማ ነቲ ኣጸድ ካህናትን ነቲ ገፊሕ ኣጸድን ነቲ ኣጸድ ከኣ መዓጹን ገበረ፡ ነቲ መዓጹኦምውን በስራዚ ለበጦ። 10ነቲ ባሕሪ ድማ ንምብራቕ ደቡብ ብዘብል የማናይ ወገን እቲ ቤት ኣንበሮ። 11ሑራም ከኣ ድስትታትን መጽሓሪታትን ጭሔሎታትን ገበረ። ሑራም ድማ ነቲ ንንጉስ ሰሎሞን ንቤት ኣምላኽ ዝሰርሓሉ ዕዮ ፈጸሞ። 12ነቲ ኽልተ ዓንድን ነቲ ጒልላትን ነቲ ኣብ ርእሲ ኣዕኑድ ዝነበረ ኽልተ ኸበብትን ነቲ ኣብ ርእሲ ኣዕኑድ ዝነበረ ናይ ከበብቲ ጒልላት ዝኸድን ክልተ ዓይነ ርግብን 13ናይ ክልተ ዓይነ ርግቢ ኣርባዕተ ሚእቲ ሮማን ከኣ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኣዕኑድ ዝነበረ ኸበብቲ፡ ነቲ ጒልላቱ ዝኸድን ነንሓደ ዓይነ ርግቢ ክልተ መስርዕ ሮማን፡ 14ነቲ መቐመጥታት ከኣ ገበረ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ መቐመጥታውን ነቲ ገበራታት ገበሮ። 15ነቲ ሓደ ባሕርን ነቶም ኣብ ትሕቲኡ ዘለዉ ዓሰርተው ክልተ ብዕራይን፡ 16ነቲ ድስትታትን መጽሓሪታትን ሸኳታትን ንዂሉ ኣቓሑኡን ድማ ሑራም ኣቢ ንንጉስ ሰሎሞን ንቤት እግዚኣብሄር ካብ ዘንጸባርቕ ኣስራዚ ገበሮ። 17እቲ ንጉስ ኣብ ጐልጐል ዮርዳኖስ፡ ኣብ መንጐ ሱኰትን ጻሬዳን፡ ኣብ መሬት ጥዑም ኣፍሰሶ። 18ሚዛን እቲ ኣስራዚ ኽምርመር ክሳዕ ዘይከኣል፡ ሰሎሞን ንዂሉ እዚ ኣቓሑ እዚ ኣዝዩ ኣብዝሖ።
19ሰሎሞን ከኣ ኣብ ቤት ኣምላኽ ዝነበረ ዂሉ ኣቓሑ፡ ነቲ ናይ ወርቂ መሰውእን ነቲ እንጌራ ምርኣይ ኣብ ልዕሊኡ ዝነበሮ ሰደቓታትን ገበሮ። 20ከም ስርዓቱ፡ ኣብ ቅድሚ ቤት ራእይ ክበርሃስ፡ ነተን ካብ ጽሩይ ወርቂ እተገብራ ቐወምቲ ቐነዲል መምስ ቀንዴለን። 21ናይ ወርቂ፡ ንሱ ኸኣ ፍጹም ወርቂ፡ ዕምባባታትን ቀልዒ ቐነዲልን መሳቐዪታትን፡ 22ናይ ጽሩይ ወርቂ ኻራታትን ጭሔሎታትን ማንካታትን ጽንሃታትን ድማ ገበረ። ብዛዕባ ደገ እቲ ቤት ከኣ፡ ናይቲ ውሽጣዊኡ ናይ ቅድስተ ቅዱሳን መዓጹን ናይ ቤተ መቕደስ መዓጹን ካብ ወርቂ ነበረ።

        2ይ. ዜና  ምዕራፍ 5            

   1በዚ ኸምዚ እቲ ሰሎሞን ንቤት እግዚኣብሄር ዝዓየዮ ዂሉ ዕዮ ተወድአ። ሰሎሞን ድማ እቲ ኣቦኡ ዳዊት ንእግዚኣብሄር ዝቐደሶ፡ ነቲ ብሩርን ወርቅን ንዂሉ ኣቓሑን ኣምጺኡ ኣብ መዛግብቲ ቤት ኣምላኽ ኣንበሮ።
2ሽዑ ሰሎሞን ንዓበይቲ እስራኤልን ንዂሎም ሓላቑ ነገዳት፡ እቶም ሹማምንቲ ማይ ቤት ኣቦታት ደቂ እስራኤልን፡ ንታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ካብ ከተማ ዳዊት፡ ማለት ጽዮን፡ ከደይብዎ፡ ናብ የሩሳሌም ኣከቦም።
3ኲሎም ሰብ እስራኤል ድማ በቲ ኣብ ሳብዓይቲ ወርሒ ዝነበረ በዓል ናብ ንጉስ ተኣከቡ። 4ኲሎም ዓበይቲ እስራኤል ምስ መጹ ኸኣ፡ እቶም ሌዋውያን ነቲ ታቦታ ኣልዓልዎ። 5ነቲ ታቦትን ነቲ ድንኳን ምርኻብን ነቲ ኣብ ድንኳን ዝነበረ ዂሉ ንዋየ ቅዱሳትን ድማ ኣደየብዎ፡ ነዚ እቶም ካህናት ሌዋውያን ኣደየብዎ። 6ንጉስ ሰሎሞን ብዘሎ እቲ ናብኡ ተኣኪቡ ዝነበረ ኣኼባ እስራኤል ኣብ ቅድሚ ታቦት ኰይኖም፡ ካብ ምብዛሐን እተላዕለ ዘይጽብጸባን ዘይቁጸራን ኣባጊዕን ኣሓን ሰውኡ። 7እቶም ካህናት ከኣ ነቲ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ናብቲ ስፍራኡ፡ ናብታ ቤት ራእይ፡ ናብቲ ቅድስቲ ቅዱሳን፡ ናብ ትሕቲ ኣኽናፍ ኪሩቤል ኣእተውዎ። 8እቶም ኪሩቤልሲ ኣኽናፎም ኣብ ልዕሊ ሰፈር እቲ ታቦት ዘርጊሖም ነበሩ እሞ፡ ኪሩቤል ንታቦትን ንመሰላታቱን ካብ ላዕሊ ኸደንዎ። 9ጫፍ እቲ መሰላታት ከኣ ኣብ ቅድማ ቤት ራእይ ካብቲ ታቦት ክሳዕ ዝርአ፡ እቲ መሰላታት ነዋሕቲ ነበረ፡ ብወጻኢ ግና ኣይርኤን ነበረ። ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ድማ ኣብኡ ኣሎ። 10ኣብቲ ታቦት ብዘይ እተን ሙሴ ኣብ ሆሬብ ናብኡ ዘእተወን ክልተ ጽላት ገለ ኻልእ ኣይነበረን፡ እዚ በቲ እግዚኣብሄር ምስ ደቂ እስራኤል፡ ንሳቶም ካብ ግብጺ ምስ ወጹ፡ ኪዳን ዝኣተወሉ ግዜ ዀነ።
11ኰነ ድማ፡ እቶም ካህናት ካብ መቕደስ ምስ ወጹ፡— ብዘለዉ እቶም ኣብኡ ዝነበሩ ኻህናትሲ ነየናይ ክፍሊ ምዃኖም ከይጥምቱ ባዕሎም ተቐዲሶም ነበሩ እሞ፡ 12እቶም ሌዋውያን ከኣ፡ ካባታቶም መዘምራን ዝነበሩ ዂሎም፡ኣሳፍ፡ ሄማን፡ የዱቱን፡ ደቆምን ኣሕዋቶምን ከኣ፡ ክዳን ጽሩይ ልሕጺ እንጣጢዕ ለቢሶም፡ ጸናጽልን መሰንቆን በገናን ሒዞም፡ ነቲ መሰውኢ ብወገን ምብራቑ ደው በሉ፡ ምሳታቶም ድማ መለኸት ዝነፍሑ ሚእትን ዕስራን ካህናት። 13ኰነ ኸኣ፡ እቶም ነፋሕቲ መለኸትን መዘምራንን ንእግዚኣብሄር ብሓንሳእ ከመስግኑን ክውድሱን ድምጾም ከም ናይ ሓደ ምስ ኣስምዑ፡ ብመለኸትን ብጸናጽልን ብኻልእ ዓይነት መሳርያ ሙዚክን ንእግዚኣብሄር ከመስግኑ ኢሎም፡ ንሱ ሰናይ እዩ እሞ፡ ምሕረቱ ንዘለኣለም ይነብር፡ እናበሉ ድምጾም ምስ ኣልዓሉ፡ ሽዑ ነቲ ቤት፡ እወ ነቲ ቤት እግዘኣብሄር ደበና መልኦ። 14ክብሪ እግዚኣብሄር ነቲ ቤት ኣምላኽ መሊእዎ ስለ ዝነበረ፡ እቶም ካህናት ብምኽንያት እቲ ደበና ደው ኢሎም ከገልግሉ ኣይከኣሉን።

        2ይ. ዜና  ምዕራፍ 6            

   1ሽዑ ሰሎሞን፡ እግዚኣብሄር ኣብ ጣቓ ከም ዝነብር፡ ኢሉ ኣሎ፡ በለ። 2ኣነ ግና፡ ንስኻ እትቕመጦ ቤትን ንዘልኣለም እትነብረሉ ስፍራን ሰሪሐልካ ኣሎኹ፡ በለ። 3እቲ ንጉስ ድማ ገጹ መሊሱ ንብዘሎ ማሕበር እስራኤል መረቖ፡ እቲ ማሕበር እስራኤል ከኣ ብዘሎ ደው ኢሉ ነበረ። 4-6በለ ድማ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ይባረኽ። ንሱ፡ እቲ ኻብቲ ንህዝበይ ካብ ግብጺ ዘውጽእኩላ መዓልቲ ጀሚረ፡ ካብ ኲሎም ነገዳት እስራኤል ስመይ ዝነብረሉ ቤት እትስረሓሉ ኸተማ ኣይሓሬኹን፡ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤል መስፍን ዝኸውን ሰብኣይውን ኣይሓሬኹን፡ ንየሩሳሌም ግና፡ ስመይ ኣብኣ ኽነብር፡ ሓርየያ ኣሎኹ፡ ንዳዊት ድማ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤልክኸውን፡ ሓርየዮ ኣሎኹ፡ ኢሉ ብኣፉ ነቦይ ዳዊት ተዛረቦ፡ ብኢዱ ኸኣ ፈጸሞ። 7ኣቦይ ዳዊት ከኣ ንስም እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ቤት ክሰርሓሉ ብልቡ ሓሲቡ ነበረ። 8እግዚኣብሄር ግና ነቦይ ዳዊት በሎ፡ ንስመይ ቤት ክትሰርሕ ኣብ ልብኻ ነበረ እሞ ሓሲብካ እኔኻ፡ እዚ ብልብኻ ሰል ዝሓሰብካዮ፡ ጽቡቕ ጌርካ። 9ግናኸ እቲ ኻብ ሕቜኻ ዝወጽእ ወድኻ ደኣ ንሱ ንስመይ ቤት ይሰርሕ እምበር፡ ንስኻስ ነቲ ቤት ኣይክትሰርሖን ኢኻ። 10እግዚኣብሄር ድማ ነቲ እተዛረቦ ዘረባኡ ኣቘሞ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር እተዛረቦ ኸኣ፡ ኣብ ክንዲ ኣቦይ ዳዊት ተንሲአ፡ ኣብ ዝፋን እስራኤል ተቐመጥኩ፡ ንስም እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከኣ ቤት ሰሪሐ ኣሎኹ። 11ነታ እግዚኣብሄር ምስ ደቂ እስራኤል ዝኣተዎ ቓል ኪዳን ዘለዋ ታቦት ኣብኡ ኣንቢረያ ኣሎኹ።
12ድማ ኣብ ቅድሚ መሰውኢ እግዚኣብሄር ቈይሙ፡ ኣብ ቅድሚ ዂሉ ማሕበር እስራኤል ኣእዳዉ ዘርግሐ። 13—ሰሎሞንሲ ሓሙሽተ እመት ዝምንዋሑ፡ ሓሙሽተ እመት ከኣ ዝምግፋሑ፡ ሰለስተ እመትውን ዝምብራኹ ናይ ኣስራዚ መበረኽ ተዛራቢ ሰሪሑ ነበረ፡ ኣብ ማእከል እቲ ኣጸድ ከኣ ገበሮ። ኣብ ልዕሊኡ ድማ ደው በለ፡ ኣብ ቅድሚ ብዘሎ እቲ ማሕበር እስራኤል ከኣ ብብርኩ ተደቢሩ ኣእዳዉ ናብ ሰማይ ዘርግሐ።— 14በለ ኸኣ፡ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፡ ነቶም ኣብ ቅድሜኻ ብምሉእ ልቦም እተመላለሱ ባሮትካ ኪዳንን ምሕረትን እትሕሉ ኣምላኽ፡ ኣብ ሰማይ ኰነ ኣብ ምድሪ ኸማኻ ዝበለ የልቦን። 15እቲ ንባርያኻ። ነቦይ ዳዊት፡ እተዛረብካዮ ዝሓሎኻ፡ እወ ብኣፍካ ተዛረብካ፡ ከምዚ ሎሚ መዓልቲ ዀይንዎ ዘሎ ኸኣ፡ ብኢድካ ፈጸምካዮ። 16ሕጂ ድማ፡ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፡ ንባርያኻ ነቦይ ዳዊት፡ ከምቲ ንስኻ ኣብ ቅድመይ እተመላለስካ፡ ደቅኻ ኸኣ ብሕገይ ንምኻድ መገዶም ጥራይ እንተ ደኣ ሓልዮምሲ፡ ኣብ ቅድመይ ኣብ ዝፋን እስራኤል ዝቕመጥ ሰብ ኣይክሰኣነካን እዩ፡ ኢልካ እተዛረብካዮ ሓሉ። 17ሕጂ ድማ፡ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል፡ እቲ ንባርያኻ ዳዊት እተዛረብካዮ ዘረባኻ እሙን ይኹን። 18ግናኸ ብሓቂዶ ኣምላኽሲ ምስ ሰብ ኣብ ምድሪ ይነብር እዩ እንሆ፡ ሰማያትን ሰማየ ሰማያትን ክሕዙኻ ኣይኽእሉን፡ እዛ ኣነ ዝሰራሕክዋ ቤት ደኣ ግዳ ኸመይ ገይራ 19ግናኸ፡ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፡ ነዚ ጽውዓን ነዚ ባርያኻ ኣብ ቅድሜኻ ዝጽልዮ ዘሎ ጸሎትን ንምስማዕ፡ ገጽካ ናብ ጸሎት ባርያኻን ናብ ምህለላኡን ምለስ። 20ኣዒንትኻ መዓልትን ለይትን ናብዛ ቤት እዚኣ፡ ናብዛ ንስምካስ ኣብኣ ኸንብሮ እየ ዝበልካያ ቦታ ይከፈታ እሞ፡ ነቲ ባርያኻ ናብዛ ቦታ እዚኣ ኣቢሉ ዝጽልዮ ጸሎት ስማዕ። 21ነቲ ባርያኻን ህዝብኻ እስራኤልን ናብዛ ቦታ እዚኣ ኣቢሎም ዝምህለልዎ ጸሎት ስምዓዮ፡ እወ ንስኻ ኣብታ እትነብረላ ዘሎኻ ቦታ ኣብ ሰማይ ኴንካ ስምዓዮ፡ ብዝሰማዕካውን ይቕረ በል። 22ሰብ ንብጻዩ እንተ በደሎ እሞ፡ ማሕላ ምሓል፡ እንተ በልዎ፡ ንሱ ኸኣ ናብ ቅድሚ መሰውኢኻ ኣብዛ ቤት ክምሕል እንተ መጸ፡ 23ሽዑ ንስኻ ኻብ ሰማይ ስምዓ፡ ግበር ከኣ፡ ነቲ በዳሊ፡ መገዱ ናብ ርእሱ ኽትምለሶ፡ ቅጽዓዮ፡ ነቲ ጻድቕ ከኣ ከም ጽድቁ ኣጽዲቕካ ንባሮትካ ፍረደሎም። 24ህዝብኻ እስራኤል፡ ንኣኻ ስለ ዝበደሉ፡ ኣብ ቅድሚ ጻላኢ እንተ ተሳዕሩ፡ ተመሊሶም ድማ ኣብዛ ቤት እዚኣ ብስምካ እንተ ተኣመኑን፡ ኣብ ቅድሜኻውን እንተ ጸለዩን እንተ ተማህለሉን፡ 25ሽዑ ንስኻ ኻብ ሰማይ ስማዕ፡ ሓጢኣት ህዝብኻ እስራኤል ከኣ ይቕረ በል፡ ናብዛ ንኣታቶምን ነቦታቶምን ዝሃብካዮም ምድሪ ድማ ምለሶም። 26ንኣኻ ስለ ዝበደሉ፡ ሰማይ እንተ ተዓጽወ እሞ እንተ ዘይዘነመ፡ ንስኻ ምስ ኣዋረድካዮም፡ ናብዛ ቦታ እዚኣ ኣቢሎም እንተ ጸለዩ፡ ብስምካውን እንተ ተኣመነ፡ ካብ ሓጢኣቶም ድማ እንተ ተመልሱ፡ 27ሽዑ ንስኻ ኣብ ሰማይ ኴንካ ስማዕ፡ እታ ዝኸድዋ ጽብቕቲ መገዲ ምስ እትምህሮም ከኣ፡ ሓጢኣት ባሮትካን ህዝብኻ እስራኤልን ይቕረ በል፡ ነቲ ንህዝብኻ ንርስቲ ዝሃብካዮም ምድርኻ ድማ ዝናም ሃባ።
28ጥሜት ኣብ ሃገር እንተ ዀነ፡ ፌራ እንተ ዀነ፡ ዋግ ወይ ሃጒ፡ ኣንበጣ ወይ ባርኖስ እንተ መጸ፡ ጸላኢኦም ኣብ ሃገር ከተማታቶም እንተ ኸበቦም፡ ወይ ዝኾነ መዓት ወይ ዝኾነ ሕማም እንተ መጸ፡ 29ዝዀነ ሰብ ወይ ኲሉ ህዝብኻ እስራኤል፡ ነፍሲ ወከፍ ቁስሉን ቃንዛኡን እተፈለጦ፡ ዝጽልዮ ዂሉ ጸሎትን ኲሉ ምህልላን ኣእዳው ድማ ናብዛ ቤት እዚኣ ኣቢሉ ምስ ዘርግሐ፡ 30-31ሽዑ ንስኻ ኻብ ሰማይ፡ ካብታ እትነብረላ ስፍራ ስማዕ፡ ይቕረ ኸኣ በል፡ ንልቢ ደቂ ሰብ እትፈልጦ ንስኻ በይንኻ ኢኻ እሞ፡ ኣብዛ ነቦታትና ዝሃብካዮም ምድሪ ዝነብሩለን ኲለን መዓልትታት ምእንቲ ኽፈርሁኻ እሞ ብመገድታትካ ክኸዱስ፡ ንነፍሲ ወከፍ ልቡ እትፈልጥ፡ ከከም መገዱ ሃቦ። 32ካብ ህዝብኻ እስራኤል ዘይኰነ ጓና ድማ ምእንቲ እዚ ዓብዪ ስምካን እዛ ጽንዕቲ ኢድካን ዝርግሕቲ ቕልጽምካን ኢሉ፡ ካብ ርሑቕ ሃገር እንተ መጸ፡ መጺኡ ኸኣ ናብዛ ቤት እዚኣ ኣቢሉ እንተ ጸለየ፡ 33ሽዑ ንስኻ ኻብ ሰማይ፡ ካብታ እትነብረላ ስፍራኻ፡ ስማዕ፡ ነቲ ጓና ኸኣ ከምቲ ዂሉ ዝጽውዓካ ግበረሉ፡ ብዘለዉ ህዝብታት ምድሪ ንስምካ ምእንቲ ኽፈልጡ እሞ ከም ህዝብኻ እስራኤል ገይሮም ክፈርሁኻ፡ እዛ ዝሰራሕክዋ ቤትውን ብስምካ ኸም እተሰምየት ክፈልጡ። 34ህዝብኻ በታ ዝለኣኽካዮም መገዲ ንጸላእቶም ክዋግኡ ምስ ዝወጹ፡ ናብዛ ዝሓሬኻያ ኸተማን ናብዛ ንስምካ ዝሰራሕክዋ ቤትን ኣቢሎም፡ ንኣኻ እንተ ለመኑ፡ 35ሽዑ ኻብ ሰማይ ጸሎቶምን ምህልላኦምን ሰሚዕካ ፍትሒ ኣውጽኣሎም። 36እንተ በደሉኻ፡— ሰብሲ ዘይብድል የልቦን፡— ብኣታቶም ኰሪኻ ድማ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ጸላኢ ኣሕሊፍካ እሻተ ሃብካዮም እሞ ኣብ ርሑቕ ኰነ ወይ ኣብ ቀርባ ናብ ዘላ ሃገር ምርኮ እንተ ማረኽዎም፡ 37ኣብታ ተማሪኾምላ ዘለዉ ሃገር ኰይኖም፡ ናብ ልቦም እንተ ተመልሱ፡ ኣብታ ምድሪ ምርኮኦም ኰይኖም ከኣ መሊሶም፡ ሓጠኣት ገበርናን በደልናን ክፉእ ገበርናን፡ ኢሎም ናባኻ እንተ ተማህለሉ፡ 38ኣብ ሃገር እቶም ዝማረኽዎምን ከለዉ፡ ብዂሉ ልቦምን ብዂሉ ነፍሶምን ናባኻ እንተ ተመልሱ፡ ኣብታ ምድሪ ምርኮ ዀይኖምስ፡ ገጾም ናብዛ ነቦታቶም ዝሃብካዮም ምድሮም፡ ናብዛ ዝሓሬኻያ ኸተማን ናብዛ ንስምካ ዘሰራሕክዋ ቤትን ኣቢሎም እንተ ጸለዩ፡ 39ሽዑ ኻብ ሰማይ ካብታ እትነብረላ ስፍራኻ ጸሎቶም ምህልላኦምን ሰሚዕካ፡ ፍትሒ ኣውጽኣሎም፡ ነቶም ዝበደሉኻ ህዝብኻ ድማ ሕደገሎም። 40ሕጂ፡ ዎ ኣምላኸይ፡ በጃኻ፡ ኣብዛ ቦታ እዚኣ ንተጸለየ ጸሎትስ ኣዒንትኻ ይከፈታ፡ ኣእዛንካውን ይስምዕኦ።
41ሕጂ ኸኣ፡ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ንስኻን ታቦት ሓይልኻን ናብ መዕረፊኻ ተንስእ፡ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ካህናትካ ምድሓን ይልበሱ፡ ቅዱሳንካውን ብሰናይ ይተሓጐሱ። 42ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ንገጽ ቅቡእካ ንድሕሪት ኣይትምለሶ፡ ነቲ ንባርያኻ ዳዊት ዘተስፎኻዮ ምሕረት ዘክሮ።

        2ይ. ዜና  ምዕራፍ 7            

   1ሰሎሞን ጸሎቱ ምስ ወድአ ድማ፡ ሓዊ ኻብ ሰማይ ወሪዳ፡ ነቲ ዝሓርር መስዋእትን መስዋእቲ ሕሩድን በልዓቶ፡ ነታ ቤትውን ክብሪ እግዚኣብሄር መልኣ። 2ክብሪ እግዚኣብሄር ነታ ቤት እግዚኣብሄር ስለ ዝመልኣ ኸኣ፡ እቶም ካህናት ናብታ ቤት እግዚኣብሄር ክኣትዉ ኣይከኣሉን። 3ኲሎም ደቂ እስራኤል ድማ ምውራድ ሓውን ክብሪ እግዚኣብሄርን ኣብ ልዕሊ እታ ቤት ረኣዩ፡ ኣብታ ብእምኒ እተራዕርዐት ቦታ ኸኣ ብገጾም ናብ ምድሪ ፍግም በሉ፡ ሰጊዶም ድማ ንእግዚኣብሄር፡ ንሱ ሰናይ እዩ፡ ምሕረቱውን ንዘለኣለም ይነብር፡ ኢሎም ኣመስገንዎ። 4እቲ ንጉስን ኲሉ ህዝብን ከኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር መስዋእቲ ሕሩድ ይስውኡ ነበሩ። 5ንጉስ ሰሎሞን ዕስራን ክልተን ሽሕ ብዕራይን ሚእትን ዕስራን ሽሕ በጊዕን መስዋእቲ ሕሩድ ሰውአ። በዚ ኸኣ እቲ ንጉስን ኲሉ እቲ ህዝብን ነታ ቤት ኣምላኽ ቀደስዋ። 6እቶም ካህናት ድማ በብኣገልግሎቶም ቈይሞን ነበሩ፡ ሌዋውያንውን እቲ ንጉስ ዳዊት ንእግዚኣብሄር፡ ምሕረቱ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ፡ ክምስገነሉ ኢሉ ዝገበሮ መሳርያ ሙዚክ እግዚኣብሄር ሒዞም ነበሩ፡ ዳዊት ድማ ብኣታቶም የመስግን ነበረ። እቶም ካህናት ከኣ ኣብ መንጽሮም ኰይኖም መለኸት ይነፍሑ ነበሩ፡ ብዘሎ እስራኤል ድማ ደው ኢሉ ነበረ። 7እቲ ሰሎሞን ዝገበሮ ናይ ኣስራዚ መሰውኢ ንዝሓርር መስዋእትን መስዋእቲ ብልዕን ንስብሕታትን ምእካል ስለ ዝሰአኖ፡ ነቲ ዝሓርር መስዋእትን ስብሕታት መስዋእቲ ምስጋናን ኣብቲ ማእከላይ ኣጸድ ስለ ዝሰውኦ፡ ሰሎሞን ነቲ ኣብ ቅድሚ ቤት እግዚኣብሄር ዝነበረ ማእከላይ ኣጸድ ቀደሶ።
8በታ ግዜ እቲኣ ሰሎሞን፡ ምስኡ ኸኣ ብዘሎ እስራኤል፡ ካብታ ንሓማት እተእቱ ኽሳዕ ርባ ግብጺ ኣዝዩ ዓብዪ ማሕበር ኰይኖም፡ ሾብዓተ መዓልቲ በዓል ገበሩ። 9ምቕዳስ እቲ መሰውኢ ብሾብዓተ መዓልቲ፡ እቲ በዓል ከኣ በሾብዓተ መዓልቲ ይገብሩ ነበሩ እሞ፡ በታ ሳምነይቲ መዓልቲ ዓብዪ በዓል ገበሩ። 10በታ ሳብዐይቲ ወርሒ ኣብ መበል ዕስራን ሰለስተን መዓልቲ ድማ ነቶም ህዝቢ ናብ ድንኳውንቶም ሰደደኦም። ንሳቶም በቲ እግዚኣብሄር ንዳዊትን ንሰሎሞንን ንህዝቡ እስራኤልን ዝገበረሎም ጽቡቕ ነገር ሕጉሳትን ልቦም ባህ ዝበሎን ኰይኖም ነበሩ።
11እምብኣርስ ሰሎሞን ቤት እግዚኣብሄርን ቤት ንጉስን ፈጸመ፡ እቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄርን ኣብ ቤቱን ክገብር ንሰሎምን ናብ ልቡ ዝመጾ ዂሉ ኸኣ ሰለጦ። 12እግዚኣብሄር ድማ ንሰሎሞን ብለይቲ ተገልጸሉ፡ በሎውን፡ ጸሎትካ ሰሚዐ፡ ነዛ ቦታ እዚኣውን ቤት መስዋእቲ ኽትከውን ንኣይ ሓርየያ ኣሎኹ። 13ንሰማይ ዝናም ከየውርድ እንተ ዓጸኽዎ፡ ነንበጣውን ንምድሪ ኽበልዓ እንተ ኣዘዝክዎ፡ ወይ ኣብ መንጎ ህዝበይ ፌራ እንተ ሰደድኩ፡ 14እዚ ብስመይ እተሰምየ ህዝበይ ከኣ ትሕት እንተ በለ፡ እንተ ለመነ፡ ገጸይውን እንተ ደለየ፡ ካብ ክፉእ መገዱ ድማ እንተ ተመልሰ፡ ሽዑ ኣነ ኻብ ሰማይ ክሰምዕ እየ፡ ሓጢኣቶም ከኣ ይቕረ ኽብለሎም፡ ምድሮምውን ክፍውሰሎም እየ። 15ሕጂ ኸኣ ኣብዛ ቦታ እዚኣ ንዝጽለ ጸሎት ኣዒንተይ ክኽፈታ፡ ኣእዛነይውን ጽን ክብላ እየን። 16ሕጂ ድማ ነዛ ቤት እዚኣ ስመይስ ንዘለኣለም ኣብኣ ክኸውን፡ ኣዒንተይን ልበይን ከኣ ኲሉግዜ ኣብኣ ክዀና ሓርየያን ቀዲሰያን ኣሎኹ። 17ንስኻ ድማ ከምቲ ዂሉ ዝኣዘዝኩኻ ኽትገብር፡ ሕጋጋተይን ፍርድታተይን ከኣ ክትሕሉ፡ ከምቲ ኣቦኻ ዳዊት እተመላለሶ ጌርካ፡ ኣብ ቅድመይ እንተ ተመላለስካ፡ 18ሽዑ ኸምቲ ነቦኻ ዳዊት፡ ኣብ እስራኤልዝገዝእ ሰብ ኣይክሰኣነካን እዩ፡ ኪዳን ዝኣቶኹሉ፡ ንዝፋን መንግስትኻ ኸጽንዖ እየ።
19ንስኻትኩም ግና ተመሊስኩም ነቲ ኣብ ቅድሜኹም ዘንበርክዎ ሕጋጋተይን ትእዛዛተይን እንተ ሓደግኩምዎ፡ ኬድኩም ድማ ንኻልኦት ኣምልኽቲ እንተ ኣምለኽኩምዎምን እንተ ሰገድኩምሎምን፡ 20ሽዑ ኻብዛ ዝሃብክዎም ምድረይ ክምንቁሶም እየ፡ ነዛ ንስመይ ዝቐደስክዋ ቤት ከኣ ካብ ቅድሚ ገጸይ ክድርብያ እየ፡ ኣብ መንጎ ዂሎም ህዝብታት ድማ መመሰልን መድረፍን ክገብራ እየ። 21ነፍሲ ወከፍ በዛ ልዕል ኢላ ዝነበረት ቤት እዚኣ ዝሓልፍ ከኣ፡ ብእኣ ኽድነቕ እዩ እሞ፡ ስለምንታይ እዩ እግዚኣብሄር ነዛ ሃገር እዚኣን ነዛ ቤት እዚኣን ከምዚ ዝገበረን ክብል እዩ። 22ከምዚ ኢሎም ከኣ ይመልሱሉ፡ ነቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘውጽኦም እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም ስለ ዝሓደግዎ፡ ንኻልኦት ኣምላኽቲ ኸኣ ስለ ዝሰገዱሎምን ስለ ዘምለኽዎምን፡ ስለዚ ነዚ ዂሉ ኽፉእ ነገር ኣብ ልዕሌኦም ኣምጽአ።

        2ይ. ዜና  ምዕራፍ 8            

   1ኰነ ድማ፡ እተን ሰሎሞን ቤት እግዚኣብሄርን ቤቱን ዝሰርሓለን ዕስራ ዓመት ምስ ተወድኣ፡ 2ሰሎሞን ነተን ሑራም ንሰሎሞን ዝሃቦ ኸተማታት ሰርሐን፡ ንደቂ እስራኤል ድማ ኣብአን ኣቐመጦም።
3ሰሎሞን ከኣ ናብ ሓማት ጾባ ኸይዱ ንእኣ በርትዓ። 4ኣብ በረኻ ድማ ንታድሞር ሰርሓ፡ ንዂለን እተን ኣብ ሓማት እተሃንጻ ኸተማታት መዛግብቲውን ሰርሐን። 5ንቤት ሖሮን ላዕላይን ንቤት ሖሮን ታሕታይን ከኣ መካበብያታትን መዓጹን መሓርሃሪታትን ዘለወን እተዓርዳ ኸተማታት ገይሩ ሰርሐን። 6ንበዓላትን ንሰሎሞን ዝነበራኦ ዂለን ከተማታት መዛግብትን ኲለን ከተማታት ሰረገላታቱን ከተማታት ፈረሰኛታቱን ኲለን እተን ሰሎሞን ኣብ የሩሳሌም ኣብ ሊባኖስን ኣብ ብዘላ ሃገር ግዝኣቱን ከም ባህጉ ኽሰርሕ ኢሉ ዝደለዮ ገይሩ ሰርሐን።
7እቶም ካብ እስራኤል ዘይኰኑ ዂሎም ኣህዛብ፡ ካብ ሔታውያንን ኣሞራውያንን ፈረዛውያንን ሃዋውያንን ይብሳውያንን ዝተረፉ፡ 8ካብቶም ብድሕሪኦምሲ እቶም ደቂ እስራኤል ዘየጥፍእዎም ኣብታ ሃገር ተሪፎም ዝነበሩ ደቆም፡ ንኣታቶም ሰሎሞን ክሳዕ ሎሚ ዝግብሩ ግዙኣት ገበሮም። 9ካብ ደቂ እስራኤል ግና ሰሎሞን ኣብቲ ዕዮኡ ኣገልገልቲ ኣይገበረን፡ ንሳቶምሲ ተዋጋእትን ሹማምቲ ሓላቑኡን ዋናታት ሰረገላታቱን ፈረሰኛታቱን ደኣ ነበሩ። 10እዚኣቶም ድማ ናይ ንጉስ ሰሎሞን ሓላቑ ዋናታት፡ ነቲ ህዝቢ ዝእዝዙ፡ ክልተ ሚእትን ሓምሳን እዮም። 11ሰሎሞን ድማ፡ ኣብ ቤት ዳዊት ንጉስ እስራኤል፡ ታቦት እግዚኣብሄር ኣብአን ስለ ዝኣተወ ቅዱስ ቦታታት ኰይነን እየን እሞ፡ ሰበይተይ ኣብኣ ኣይክትነብርን እያ፡ ስለ ዝበለ፡ንጓል ፈርኦን ካብ ከተማ ዳዊት ናብታ ዝሰርሓላ ቤት ኣደየባ።
12-13ሽዑ ሰሎሞን ከምቲ ትእዛዝ ሙሴ እናገበረ ብሰናብትን ብሰርቂ ወርሕን በቲ ምዱብ በዓላትን ኣብ ዓመት ሰለስተ ግዜ፡ ማለት ብበዓል ቅጫን ብበዓል ሰሙናትን ብበዓል ዳስን፡ እቲ ነንመዓልቲ ዝግባእ መስዋእቲ ኣብቲ ኣብ ቅድሚ ገበላ ዝሰርሖ፡ ንእግዚኣቢሄር ዝሓርር መስዋእቲ ኣዕረገሉ። 14ከምቲ ኣቦኡ ዳዊት ዝሰርዖ ድማ ነቶም ክፍልታት ካህናት ናብ ኣገልግሎቶም፡ ንሌዋውያንውን በብመዓልቲ ኸም ዝግባእ ከመስግኑን ኣብ ቅድሚ ኻህናት ከገልግሉን ኣመዘዞም፡ ነቶም ሓለውቲ ደጌታት ከኣ ከም ክፍልታቶም ኣብ ደደገ ኽሕልዉ ኣቘሞም፡ እዚ ኸኣ ዳዊት፡ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ከምኡ ኣዚዙ ስለ ዝነበረ እዩ። 15ብዛዕባ እቶም ካህናትን ሌዋውያንን ብናይ ዝዀነ ነገር ወይ ብናይ መንግስቲ ኻብ ትእዛዝ ንጉስ ኣየግለሱን። 16ከምዚ ኢሉ ዂሉ እቲ ዕዮ ሰሎሞን ክሳዕ እታ መዓልቲ ምስራት ቤት እግዚኣብሄርን ክሳዕ ምፍጻማን ተዳለወ። እታ ቤት እግዚኣብሄር ከኣ ተፈጸመት።
17ሽዑ ሰሎሞን ኣብ ገምገም ባሕሪ ኣብ ምድሪ ኤዶም ናብ ዘለዋ ዔጽዮን ጋበርን ናብ ኤሎትን ከደ። 18ሑራም ድማ ብገላዉኡ ገይሩ መራኽብን ባሕሪ ዝፈልጡ ገላዉን ሰደደሉ፡ ምስ ገላዉ ሰሎሞን ድማ ናብ ኦፊር ከዱ፡ ካብኡ ኸኣ ኣርባዕተ ሚእትን ሓምሳን ታለንት ወርቂ ወሲዶም ናብ ንጉስ ሰሎሞን ኣምጽእዎ።

        2ይ. ዜና  ምዕራፍ 9            

   1ንግስቲ ሳባ ድማ ወረ ሰሎሞን ምስ ሰምዐት፡ ንሰሎሞን ብሕንቅሕንቅሊቶይ ክትፍትኖ፡ኣዝዩ ብዙሕ ጒዕዞን ቀመማትን ብዙሕ ወርቅን ክቡር ኣእማንን ዝጾራ ኣግማል ሒዛ ናብ የሩሳሌም መጸት። ናብ ሰሎሞን ምስ ኣተወት ድማ፡ ኣብ ልባ ዝነበረ ዂሉ ኣዛረበቶ። 2ሰሎሞን ከኣ ነቲ ዝጠየቐቶ ዂሉ ገለጸላ፡ ዘይገለጸላ ኻብ ሰሎሞን እተሰወረ ነገር ከኣ ኣይነበረን። 3-4ንግስቲ ሳባ ድማ ጥበብ ሰሎሞንን እታ ዝሰርሓ ቤትን መብልዕ መኣዱን ኣቀማምጣ ገላዉኡን ኣቓውማ ኣገልገልቱን ኣኻዳድናኦምን ኣሰለፍቱን ኣኻዳድናኦምን ነቲ ናብ ቤት እግዘኣብሄር ዝድይበሉ መሳልልን ምስ ረኣየት፡ ውኖኣ ተመሰጠ። 5ንንጉስ ከኣ በለቶ፡ እቲ ኣብ ሃገረይ ከሎኹ ብዛዕባ ግብርኻን ብዛዕባ ጥበብካን ዝሰማዕክዎ ነገር ሓቂ እዩ። 6መጺአ ብዓይነይ ክሳዕ ዝርኢ ድማ፡ ነቲ ዘረባኦም ኣይኣመንክዎን፡ እንሆ ኸኣ፡ ነዚ ዕቤት ጥበብካስ ፈረቓኡ እኳ ኣይነገሩንን፡ ካብቲ ዝሰማዕክዎ ወረ ትበልጽ ኢካ። 7እቶም ሰብካ ብጹኣት እዮም፡ እዞም ወርትግ ኣብ ቅድሜኻ ደው ኢሎምስ ጥበብካ ዝሰምዑ ገላዉኻ ድማ ብጹኣን እዮም። 8እቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ንጉስ ክትከውን ኣብ ዝፋኑ ከቐምጠካ ዝፈተወካ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብሩኽ ይኹን። ኣምላኽካ ንእስራኤል ዘለኣለም ከቑሞ ስለ ዝፈተዎ፡ ፍርድን ጽድቅን ምእንቲ ኸተውጽእ፡ ኣብ ልዕሊኦም ንጉስ ክትከውን ሸመካ።
9ንሳ ድማ ንንጉስ ሚእትን ዕስራን ታለንት ወርቅን ኣዝዩ ብዙሕ ቀመማትን ክቡር ኣእማንን ሃበቶ። ከምቲ ንግስቲ ሳባ ንንጉስ ሰሎሞን ዝሃበቶ ቐመማትስ ከቶ ኣይነበረን።
10እቶም ካብ ኦፊር ወርቂ ዘምጽኡ ገላዉ ሑራምን ገላዉ ሰሎሞንን፡ ዕጨይቲ ሰንደልን ክቡር ኣእማንን ከኣ የምጽኡ ነበሩ። 11ንጉስ ድማ ካብቲ ዕጨይቲ ሰንደል ንቤት እግዚኣብሄርን ንቤት ንጉስን ዝኸውን መደያይቦ፡ ንመዘምራን ዝኸውን ከኣ በገናታትን መሰንቆታትን ገበረ። ከምኡ ዝበለስ ኣብ ምድሪ ይሁዳ ቕድም ኣይተራእየን። 12ብዘይ እቲ ንሳ ናብ ንጉስ ኣምጺኣቶ ዝነበረት፡ ንጉስ ሰሎሞን ከኣ ንንግስቲ ሳባ ዝለመነቶ ዘበለ ዂሉ ድላያ ሃባ። ሽዑ ንሳ ተመሊሳ፡ ምስ ገላዉኣ ናብ ሃገራ ኸደት። 13-14ብዘይ እቲ ሰብ ሸቐጥን ነጋዶን ዘምጽእዎ ዝነበሩ፡ እቲ ንሰሎሞን በብዓመቱ ዝኣትዎ ዝነበረ ሚዛን ወርቂ ሹድሽተ ሚእትን ስሳን ሹድሽተን ታለንት ወርቂ ነበረ። ኲሎም ነገስታት ዓረብን ምስሌኔታት እታ ሃገርን ድማ ንሰሎሞን ወርቅን ብሩርን የምጽኡሉ ነበሩ። 15ንጉስ ሰሎሞን ከኣ ክልተ ሚእቲ ዓበይቲ ዋልታ ቕጥቁጥ ወርቂ ሰርሐ፡ ነንሓድ ዋልታ ሹድሽተ ሚእቲ ሲቃል ቅጥቁጥ ወርቂ ወድአ።16ሰለስተ ሚእቲ ናእሽቱ ዋልታ ቕጥቁጥ ወርቂ ድማ ሰርሐ። ነንሓደ ዋልታ ኸኣ ሰለስተ ሚእቲ ሲቃል ወርቂ ወድአ። እቲ ንጉስ ድማ ኣብታ ቤት ዱር ሊባኖስ ኣንበሮ።
17ንጉስ ድማ ብስኒ ሓርማዝ ዓብዪ ዝፋን ሰርሐ፡ ብጽሩይ ወርቂውን ለበጦ። 18እቲ ዝፋን ከኣ ሹድሽተ መደያይቦ ምስ ሓደ ናይ ወርቂ ድኳ እግሪ ምስቲ ዝፋን እተለገበ ነበሮ፡ እቲ ኾፍ መበሊ ድማ በዝን በትን መደገፍ ኣእዳው ነበሮ፡ ኣብ ጎቦ እቲ መደገፊታት ኣእዳው ከኣ ክልተ ኣንበሳ ደው ኢሎም ነበሩ። 19ኣብቲ ሹድሽተ መደያይቦ ድማ በዝን በትን ዓሰርተው ክልተ ኣንበሳ ደው ኢሎም ነበሩ። ከምዚ ዝበለ ኣብ ኲለን መንግስትታት ኣይተገብረን። 20ናይ ንጉስ ሰሎሞን መሳተያ ዘበለ ዂሉ ኸኣ ወርቂ ነበረ፡ ናይ ቤት ዱር ሊባኖስ ኲሉ ኣቓሑውን ጽሩይ ወርቂ ነበረ፡ ብዘመን ሰሎሞንሲ ብሩር ከም ቁም ነገር ኣይቁጸርን ነበረ። 21ንጉስሲ ምስ ገላዉ ሑራም ናብ ተርሲስ ዝኸዳ መራኽብ ነበራኦ እሞ፡ እተን መራኽብ ተርሲስ ወርቅን ብሩርን ስኒ ሓርማዝን ኣህባይን ኣዕዋፍን ተጽዒነን ኣብ ሰሰለስተ ዓመት ሓንሳእ ይመጻ ነበራ። 22ንጉስ ሰሎሞን ከኣ ብሃብትን ጥበብን ካብ ኲሎም ነገስታት ምድሪ ዓበየ። 23ኲሎም ነገስታት ምድሪ ድማ ነቲ ኣምላኽ ኣብ ልቡ ዝሃቦ ጥበብ ምእንቲ ኽሰምዕዎ፡ ኣብ ቅድሚ ሰሎሞን ክመጹ ይደልዩ ነበሩ። 24ንሳቶም ከኣ ነፍሲ ወከፎም ገጸ በረኸቱ፡ ኣቓሑ ብሩርን ኣቓሑ ወርቅን ክዳውንትን ኣጽዋርን ቀመማትን ኣፍራስን ኣባቕልን ዓመት ንዓመት የምጽኡ ነበሩ።
25ሰሎሞን ድማ ኣርባዕተ ሽሕ ስፍራ ኣፍራስን ሰረገላታትን ዓሰርተው ክልተ ሽሕ ፈረሰኛታትን ነበርዎ፡ ነዚኣቶም ከኣ ኣብ ከተማታት ሰረገላን ኣብ የሩሳሌም ምስ ንጉስን ኣቐመጦም። 26ድማ ኣብ ልዕሊ ዅሎም ነገስታት ካብቲ ርባ ጀሚሩ ኽሳዕ ምድሪ ፍልስጥኤማውያንን ክሳዕ ዶብ ግብጽን ይገዝእ ነበረ። 27እቲ ንጉስ ከኣ ንብሩር ኣብ የሩሳሌም ከም እምኒ ገበሮ፡ ንቄድሮስውን ኣብ ቈላ ኸም ዘሎ ሳጋል ዝምብዛሑ ገበሮ። 28ኣፍራስ ድማ ንሰሎሞን ካብ ግብጽን ካብ ኲለን ሃገራትን የምጽኡሉ ነበረ። 29እቲ ዝተረፈ ናይ ሰሎሞን ነገር፡ ቀዳማዩን ዳሕራዩን፡ ንሱ ኣብ ዛንታ ነብዪ ናታንን ኣብ ትንቢት ኣሒያ እቲ ሺሎናውን ኣብ ራእይ የዕዶ ብናይ የሮብዓም ወዲ ናባጥ ዝረኣዮዶ ተጽሒፉ ኣየሎን 30ሰሎሞን ኣብ የሩሳሌም ኣብ ልዕሊ ዂሉ እስራኤል ኣርብዓ ዓመት ገዝአ። 31ሰሎሞን ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፡ ኣብ ከተማ ኣቦኡ ዳዊትውን ቀበርዎ። ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ሮብዓም ነገሰ።

        2ይ. ዜና  ምዕራፍ 10            

   1ብዘለዉ እስራኤል ንሮብዓም ከንግስዎ ናብ ሴኬም መጺኦም ነበሩ እሞ፡ ንሱ ድማ ናብ ሴኬም ከደ። 2ኰነ ኸኣ፡ የሮብዓም ወዲ ናባጥ እዚ ምስ ሰምዐ፡— ንሱ ኣብ ግብጺ፡ ኣብቲ ኻብ ቅድሚ ንጉስ ሰሎሞን ዝሃደሞ ነበረ እሞ፡— የሮብዓም ካብ ግብጺ ተመልሰ። 3-4ልኢኾም ድማ ጸውዕዎ። ሽዑ የሮብዓምን ኲሎም እስራኤልን መጺኦም ንሮብዓም፡ ኣቦኻ ኣርዑት ኣበርትዓልና፡ ሕጂ ድማ ነቲ ብርቱዕ ኣገዛዝኣ ኣቦኻን ነቲ ዝሰቐለልና ኸቢድ ኣርዑቱን ኣቕልለልና እሞ ኽንግዝኣካ ኢና፡ ኢሎም ተዛረብዎ። 5ንሱ ድማ፡ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ናባይ ተመለሱ፡ በሎም። እቲ ህዝቢ ኸኣ ኸደ።
6ንጉስ ሮብዓም ድማ ምስቶም ኣቦኡ ሰሎሞን ብህይወቱ ኸሎ፡ ኣብ ቅድሚኡ ደው ዝብሉ ዝነበሩ ዓበይቲ፡ ነዚ ህዝቢ እዚ ዝመልሶ ነገር እንታይ ትመኽሩኒ ኢሉ ተማከረ። 7ንሳቶም ከኣ፡ ነዚ ህዝቢ እዚ ህያው እንተ ዀንካዮ፡ እንተ ትልውሃሎም ድማ፡ ጽቡቕ ቃላትውን እንተ ተዛረብካዮም፡ ንሓዋሩ ገላዉ ክዀኑኻ እዮም፡ ኢሎም ተዛረብዎ። 8ንሱ ግና ነቲ እቶም ዓበይቲ ዝመኸርዎ ምኽሪ ሓዲጉስ፡ ምስቶም ምስኡ ዝዓበዩ ኣብ ቅድሚኡ ደው ዝብሉ መንእሰይ ተማኸረ። 9እሞ፡ ነዞም፡ እቲ ኣቦኻ ዝሰቐለልና ኣርዑት ኣቕልለልና፡ ዝብሉኒ ህዝቢ እዚኦም እንመልሰሎም ነገር እንታይ ምኽሩ ተማኽሩኒ በሎም። 10እቶም ምስኡ ዝዓበዩ መንእሰይ ከኣ ከምዚ ኢሎም መለሱሉ፡ ነዞም፡ ኣቦኻ ኣርዑት ኣኽቢዱልና እዩ፡ ንስኻ ግና ኣቕልለልና። ኢሎም እተዛረቡኻ ህዝቢ ኸምዚ በሎም፡ እዛ ንእሽቶይ ኣጸብዐ ካብ ሕቘ ኣቦይ ትረጕድ። 11ሕጂ ድማ ኣቦይ ኣርዑት ኣኽበደልኩም፡ ኣነ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ኣርዑትኩም ክውስኸልኩም እየ፡ ኣቦይ ብሓለንጊ ገረፈኩም፡ ኣነ ግና ብጭጕራፍ ክገርፈኩም እየ።
12ከምቲ እቲ ንጉስ፡ በታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ተመለሱኒ፡ ኢሉ እተዛረቦም ድማ፡ የሮብዓምን ኲሉ እቲ ህዝብን ኰይኖም፡ በታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ናብ ሮብዓም መጹ። 13ሽዑ እቲ ንጉስ ኣበርቲዑ መለሰሎም። ንጉስ ሮብዓምሲ ንምኽሪ እቶም ዓበይቲ ሓደጎ። 14ከምቲ ምኽሪ እቶም መንእሰይ ከኣ፡ ኣቦይ ነቲ ኣርዑትኩም ኣኽበዶ፡ ኣነ ኸኣ ኣብ ልዕሊኡ ኽውስኽ እየ፡ ኣቦይ ብሓለንጊ ገረፈኩም፡ ኣነ ግና ብጭጕራፍ ክገርፈኩም እየ፡ ኢሉ ተዛረቦም። 15እቲ እግዚኣብሄር ንየሮብዓም ወዲ ናባጥ ብኣሒያ እቲ ሸሎናዊ ተዛሪብዎ ዝነበረ ቓሉ ምእንቲ ከቑሞ፡ እዚ ኻብ ኣምላኽ ተመዲቡ ነበረ እሞ፡ እቲ ንጉስ ነቲ ህዝቢ ኣይሰምዖን።
16ሽዑ ብዘለዉ እስራኤል፡ ንጉስ ከም ዘይሰምዖም ምስ ረኣዩ፡ እቶም ህዝቢ ንንጉስ፡ ኣብ ዳዊትከ እንታይ ክፍሊ ኣሎና ኣብ ወዲ እሰኢይ ርስቲ የብልናን። ዎ እስራኤል፡ ነፍሲ ወከፍ ናብ ድንኳንካ ተመለስ፡ ኣታ ዳዊት፡ ሕጅስ ቤትካ ሓሉ፡ ዝብል ዘረባ መለሱሉ። ሽዑ ብዘሎ እስራኤል ናብ ድንኳናቱ ኸደ። 17ሮብዓምግና ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ከተማታት ይሁዳ ዝቕመጡ ዝነበሩ ደቂ እስራኤል ነገሰ። 18ንጉስ ሮብዓም ድማ ነቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ገባር ተሸይሙ ዝነበረ ሃዶራም ሰደዶ፡ ደቂ እስራኤል ከኣ ብዳርባ እምኒ ቐተዎ፡ ሞተ ኸኣ። ንጉስ ሮቦኣም ድማ ተቐላጢፉ ናብ ሰረገላኡ ደዪቡ ናብ የሩሳሌም ሃደመ። 19በዚ ኸምዚ እስራኤል ካብ ቤት ዳዊት ክሳዕ ሎሚ ዓልዮም ኣለዉ።

        2ይ. ዜና  ምዕራፍ 11            

   1ሮብዓም ናብ የሩሳሌም ምስ መጸ ድማ፡ ምስ እስራኤል ተዋጊኦም ነታ መንግስቲ ናብ ሮብዓም ክመልስዋ፡ ቤት ይሁዳን ብንያምን ሚእትን ሰማንያን ሽሕ ሕሩያት ተዋጋእቲ ኣኽተተ። 2ግንኸ ከምዚ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ሸማዕያ፡ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ መጸ፡ 3ንሮብዓም ወዲ ሰሎሞን፡ ንጉስ ይሁዳን ኣብ ይሁዳን ብንያምን ንዘሎ ዂሉ እስራኤልን ከምዚ ኢልካ ንገሮም፡ 4እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እዚ ነገር እዚ ኻባይ እዩ እሞ፡ ኣይትደይቡን ምስ ኣሕዋትኩም ኣይትዋግኡን። ነፍሲ ወከፍ ነናብ ቤቱ ይመለስ። ንሳቶም ከኣ ቃል እግዚኣብሄር ሰሚዖም፡ ንየሮብዓም ክወግኡ ኻብ ምኻድ ተመልሱ።
5ሮብዓም ድማ ኣብ የሩሳሌም ተቐመጠ ኣብ ይሁዳ ዕርዲ ዝዀና ኸተማታት ከኣ ሰርሐ። 6-10ነተን ኣብ ይሁዳን ኣብ ብንያምን ዘለዋ ዕሩዳት ከተማታት፡ ንቤት-ልሄምን ንዔጣምን ንተቆዓን ንቤት ጹርን ንሾኮን ንኣዱላምን ንጋትን ንማረወን ንዚፍን ንኣዲራዪምን ንላኪሽን ንዓዜቃን ንጾርዓን ንኣያሎንን ንሔብሮንን፡ ሰርሐን። 11ነቲ ዕርድታት ከኣ ኣጽንዖ፡ ምስለነታት ድማ ኣቐመጠሉ፡ መዛግብቲ እኽልን ዘይትን ወይንን ገበረሉ። 12ኣብ ኲለን ከተማታት ከኣ በብኸተማ ዋላቱን ኲናውትን ኣቐመጠለን፡ ኣዝዩ ድማ ኣጽንዐን። ይሁዳን ብንያምን ከኣ ንእኡ ዀና።
13ኣብ ብዘሎ እስራኤል ዝነበሩ ኻህናትን ሌዋውያንን ካብ ኲሉ ዶባቶም ናብኡ መጹ። 14እቶም ሌዋውያንሲ፡ ካህናት እግዚኣብሄር ኰይኖም ከየገልግሉ፡ የሮብዓምን ደቁን ስለ ዝሰጐጒዎም፡ ከባቢ ኸተማታቶምን ርስቶምን እናሓደጉ ናብ ይሁዳን የሩሳሌምን ከዱ።— 15ንሱ ኸኣ ንርእሱ ነቲ በረኽትን ንኽፉኣት መናፍስትን ነቶም ዝገበሮም ምራኹትን ካህናት ኣቘመ።— 16ካብ ኵሎም ነገዳት እስራኤል ድማ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ክደልይዎ ልቦም ዝሃቡ ዘበሉ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም፡ ምእንቲ ኽስውኡሉ፡ ደድሕሪኦም ናብ የሩሳሌም መጹ። 17ነታ መንግስቲ ይሁዳ ኸኣ ኣበርትዕዋ፡ ሰለስተ ዓመት በታ መገዲ ዳዊትን ሰሎሞንን ይኸዱ ነበሩ እሞ፡ ንሮብዓም ወዲ ሰሎሞን ድማ ሰለስተ ዓመት ኣጽንዕዎ።
18ሮብዓም ከኣ ንማሓላት፡ ጓል የሪሞት ወዲ ዳዊትን ዓቢሓዮልን፡ ጓል ኤልያብ ወዲ እሴይ፡ ኣእተዋ። 19ንሳ ድማ ኣወዳት፡ የዑሽን ሸማርያን ዛሃምን፡ ወለደትሉ። 20ብድሕሪኣ ኸኣ ንማዓካ ጓል ኣበሴሎም ኣእተዋ፡ ንሳ ድማ ኣቢያን ዓታይን ዚዛን ሸሎሚትን ወለደትሉ። 21ሮብዓም ከኣ ዓሰርተው ሾሞንተ ኣንስትን ስሳ ኣንስቲ ወሰንን ኣእትዩ ነበረ፡ ዕስራን ሾሞንተን ኣወዳትን ስሳ ኣዋልድን ድማ ወሊዱ ነበረ፡ ንማዓካ ጓል ኣበሴሎም ግና ሓለፋ ዂለን ኣንስቱን ናይ ወሰን ኣንስቱን ይፈትዋ ነበረ። 22ሮብዓም ከኣ ንኣበያ ወዲ ማዓካ ኸንግሶ ሓሲቡ ነበረ እሞ፡ ኣብ ልዕሊ ዂሎም ኣሕዋቱ ሹም ክኸውን ኣቘሞ። 23ብምስትውዓል ድማ ንዂሎም ኣወዳቱ ኣብ ብዘላ ሃገር ይሁዳን ብንያምን ኣብ ኲለን ጽኑዓት ከተማታት ኣቐመጦም፡ ብዙሕ ምግቢውን ሃቦም። ብዙሓት ኣንስቲ ኸኣ ደለየሎም።

        2ይ. ዜና  ምዕራፍ 12            

   1ኰነ ድማ፡ እታ መንግስቲ ሮብዓም ምስ ጸንዐት፡ ንሱ ኸኣ ምስ በርትዐ፡ ንሱን ብዘሎ እስራኤልን ምስኡ ሕጊ እግዚኣብሄር ሓደጉ። 2ኰነ ድማ፡ ንእግዚኣብሄር ስለ ዝዓለውዎ፡ ንንጉስ ሮብዓም ኣብ ሓምሰይቲ ዓመቱ ሺሻቅ ንጉስ ግብጺ ናብ የሩሳሌም ደየበ። 3ብሽሕን ክልተ ሚእትን ሰረገላን ስሳ ሽሕ ፈረሰኛን መጸ። ካብ ግብጺ ድማ ቁጽሪ ዘይብሉ ህዝቢ፡ ሊብያውያንን ሱኪያውያንን ኢትዮጵያውያንን፡ ምስኡ መጹ። 4ነተን እተዓርዳ ኸተማታት ይሁዳ ሒዙ ድማ፡ ናብ የሩሳሌም መጸ።
5ነብዪ ሸማዕያ ኸኣ ናብ ሮብዓምን ናብቶም ካብ ቅድሚ ሺወቅ ሃዲሞም ናብ የሩሳሌም እተኣከቡ ሓላቑ ይሁዳን መጺኡ በሎም፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ንስኻትኩም ሓደግኩምኒ፡ ስለዚ ኣነ ድማ ንኣኻትኩም ኣብ ኢድ ሺወቅ ሓደግኩኹም። 6ሽዑ እቶም ሓላቑ እስራኤልን እቲ ንጉስን ርእሶም ኣትሓቱ እሞ፡ እግዚኣብሄር ጻድቕ እዩ፡ በሉ። 7እግዚኣብሄር ርእሶም ከም ዘትሓቱ ብዝረኣየ ድማ፡ ከምዚ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ሸማዕያ መጸ፡ ርእሶም ኣትሒቶም እዮም እሞ፡ ኣነውን ኣይከጥፍኦምን እየ፡ ሒደት ምንጋፍ ደኣ ኸናግፎም እየ እምበር፡ ቁጥዓይሲ ኣብ የሩሳሌም ብኢድ ሺሻቅ ኣይከፍስሶን እየ። 8ግናኸ እቲ ንኣይ ምግዛእን ንነገስታት ሃገራት ምግዛእን ልዩነቱ ኽፈልጡስ፡ ገላዉኡ ክዀኑ እዮም። 9ሺወቅ ንጉስ ግብጺ ድማ ናብ የሩሳሌም ደየበ፡ ንመዛግብቲ ቤት እግዚኣብሄርን ንመዛግብቲ ቤት ንጉስን ድማ ወሰዶ፡ ንዂሉ ወሰዶ። ነቲ ሰሎሞን ዝሰርሖ ናይ ወርቂ ዋላቱውን ወሰዶ። 10ንጉስ ሮብዓም ግና ኣብ ክንዳኡ ዋላቱ ኣስራዚ ገበረ፡ ኣብ ኢድ ሓላቑ እቶም ደገ ቤት ንጉስ ዝሕልዉ ዝነበሩ ዘብዐኛታት ኣማዕቈበን። 11ኰነ ኸኣ፡ እቲ ንጉስ ናብ ቤት እግዚኣብሄር በብዝኣተወላ እዋን እቶም ዘብዐኛታት መጺኦም ይጾርወን ነበሩ፡ ናብቲ ኽፍሊ ቤት እቶም ዘብዐኛታት ድማ ይመልስወን ነበሩ። 12ርእሱ ስለ ዘትሓተ ኸኣ፡ ፈጺሙ ኸየጥፍኦስ እቲ ቑጥዓ እግዚኣብሄር ካብኡ ተመልሰ። ኣብ ይሁዳስ ጽቡቕ ነገር ድማ ነበረ።
13ሮብዓም ክነግስ ከሎ፡ ወዲ ኣርብዓን ሓደን ዓመት ነበረ እሞ፡ ንጉስ ሮብዓም ኣብ የሩሳሌም በርትዐ ገዝአ ከኣ፡ ዓሰርተው ሾብዓተ ዓመት ኣብ የሩሳሌም፡ ኣብታ እግዚኣብሄር፡ ስሙ ኣብኣ ኸንብሮ፡ ካብ ኲሎም ነገዳት እስራኤል ዝሓረያ ኸተማ ገዝአ። ኣዲኡ ኸኣ ናዓማ እትብሃል ዓሞናዊት እያ።
14ንሱ ድማ ንምድላው እግዚኣብሄር ልቡ ኣየቕንዐን እሞ፡ ክፉእ ገበረ። 15እቲ ግብርታት ሮብዓም ግና፡ እቶም ቀዳሞትን እቶም ዳሕሮትን፡ ንሱ ኣብታ ናይ ነብዪ ሸማዕያን ናይ ረኣዪ ዒዶን ዛንታዶ ኸምቲ ኣገባብ መጽሓፍ ወለዶ ተጽሒፉ ኣየሎን ኣብ መንጎ ሮብዓምን የሮብዓምን ድማ ኲሉ ዘመን ውግእ ነበረ። 16ሮብዓም ከኣ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፡ ኣብ ከተማ ዳዊትውን ተቐብረ። ኣብ ክንዳኡ ድማ ወዱ ኣቢያ ነገሰ።

        2ይ. ዜና  ምዕራፍ 13            

   1ንንጉስ የሮብዓም ኣብ መበል ዓሰርተው ሾሞንተ ዓመቱ ኣቢያ ኣብ ልዕሊ ይሁዳ ነገሰ። 2ኣብ የሩሳሌም ሰለስተ ዓመት ነገሰ። ስም ኣዲኡ ድማ ሚካያ እዩ፡ ንሳ ጓል ኡሪኤል ካብ ጊብዓ እያ። ኣብ መንጎ ኣቢያን የሮብዓምን ከኣ ውግእ ነበረ። 3ኣቢያ ድማ ሰራዊት ተዋጋእቲ ጀጋኑ፡ ኣርባዕተ ሚእቲ ሽሕ ሕሩያት ሰብ ሒዙ ንውግእ ተሰለፈ፡ የሮብዓም ከኣ ንእኡ ብሾብዓተ ሚእቲ ሽሕ ሓያላት ጀጋኑ ዝነበሩ ሕሩያት ሰብ ክዋጋእ ተሰለፈ። 4ኣቢያ ድማ ኣብ ከረን ኤፍሬም ናብ ዘላ ዂርባ ጸማራዪም ተንሲኡ በለ፡ ኣታ የሮብዓምን ብዘሎኹም እስራኤልን፡ ስምዑኒ፡ 5መንግስቲ እስራኤልስ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ንዳዊት፡ ንእኡን ንደቁን፡ ንዘለኣለም ብናይ ጨው ኪዳን ከም ዝሃቦምዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም 6የሮብዓም ወዲ ናባጥ፡ ጊልያ ሰሎሞን ወዲ ዳዊት፡ ግና ተንሲኡ ኻብ ጐይታኡ ሸፈተ። 7ምናምናት፡ ደቂ ብልያል ዝዀኑ ሰባት ድማ ናብኡ ተኣኪቦም ንሮብዓም ወዲ ሰሎሞን በርትዕዎ። ሮብዓም ከኣ ገና ዘይበሰለ መንእሰይ ከሎ፡ ክቃወሞም ኣይከኣለን። 8ሕጂ ኸኣ ንስኻትኩም ነታ ኣብ ኢድ ደቂ ዳዊት ዘላ መንግስቲ እግዚኣብሄር ክትቃወምዋ እትኽእሉ ይመስለኩም ኣሎ፡ ንስኻትኩም ድማ ዓብዪ ጭፍራ ዄንኩም ኢኹም፡ እቶም የሮብዓም ንኣኻትኩም ንኣማልኽቲ ዘግበሮም ናይ ወርቂ ምራኹትውን ምሳኻትኩም ኣለዉ። 9ነቶም ካህናት እግዚኣብሄር፡ ደቂ ኣሮንን ሌዋውያንን፡ ኣይሰጐጒኩምዎምንዶ ከምቶም ናይ ካልኦት ሃገራት ህዝብታት ከም ባዕላትኩምዶ ንርእስኹም ካናት ኣይገበርኩምን ንርእሱ ክቕደስ ሓደ ዝራብዕን ሾብዓተ ድዑልን ሒዙ ዝመጸ ዘበለ፡ ነዞም ኣማልኽቲ ዘይኰኑ ካህኖም ይኸውን። 10ንኣና ግና ኣምላኽና እግዚኣብሄር እዩ፡ ንሕናውን ኣይሓደግናዮን፡ ንእግዘኣብሄር ዘገልግሉ ኻህናት፡ ደቂ ኣሮንን ኣብ ዕዮኦም ዘለዉ ሌዋውያንን ኣለዉና። 11ንግሆ ንግሆን ምሸተ ምሸትን ከኣ ንእግዚኣብሄር ዝሓርር መስዋእትን ጥዑም መኣዛንኡ ዕጣንን የሕርሩሉ ኣለዉ፡ ኣብቲ ጽሩይ ሰደቓውን እንጌራ ምርኣይ ይሰርዑሉ፡ ምሸት ምሽት ከብርህውን ነቲ ናይ ወርቂ ቐዋሚ ቐንዴል ምስ ቀልዒታቱ የዳልዉ ኣለዉ። ንሕናስ ነቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ይተሓሎ ዝበሎ ነገረ ንሕሉ ኣሎና፡ ንስኻትኩም ግና ሓዲግኩምዎ ኢኹም። 12እንሆ ኸኣ፡ ኣምላኽ ምሳና ኣብ ቅድሜና እዩ፡ እቶም ምሳኻትኩም ንምውጋእ ናብ ጭድርታ መለኸት ዝነፍሑ ኻህናቱ ኣለዉና። ኣቱም ደቂ እስራኤል፡ ኣይክቐንዓልኩምን እዩ እሞ፡ ምስ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትኩም ኣይትዋግኡ።
13የሮብዓም ግና ብድሕሪኦም ዝኣትዉ ድብቕ ኣዞረሎም እሞ ንሳቶም ኣብ ቅድሚ ይሁዳ ነበሩ፡ እቲ ድብቕ ከኣ ኣብ ድሕሪኦም ነበረ። 14ይሁዳ ገጾም ምልስ ምስ ኣበሉ ድማ፡ እንሆ፡ ውግእ ብቕድሚትን ብድሕሪትን ነበሮም። ሽዑ ናብ እግዚኣብሄር ጨደሩ፡ እቶም ካህናትውን መለኸት ነፍሑ። 15ሰብ ይሁዳ ኸኣ ኣውክዑ። ኰነ ድማ፡ በቲ ምውካዕ ሰብ ይሁዳ፡ ኣምላኽ ንየሮብዓምን ንብዘሎ እስራኤልን ኣብ ቅድሚ ኣቢያን ይሁዳን ወቖዖም። 16ደቂ እስራኤል ከኣ ካብ ቅድሚ ይሁዳ ሃደሙ፡ ኣምላኽውን ኣብ ኢዶም ሃቦም። 17ኣቢያን ህዝቡን ድማ ዓብዪ ስዕረት ሰዓርዎም። ካብ እስራኤል ከኣ ሓሙሽተ ሚእቲ ሽሕ ሕሩያት ሰብ ስዑራት ወደቑ። 18ከምኡ እቶም ደቂ እስራኤል በቲ ግዜ እቲ ተዋረዱ፡ እቶም ደቂ ይሁዳ ግና ብእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም ተኣሚኖም እዮም እሞ፡ እናበርትዑ ኸዱ። 19ኣቢያ ድማ ንየሮብዓም ሰጐጎ፡ ከተማታትውን፡ ቤት ኤል ምስ ኣቑሻታን የሳና ምስ ኣቑሻታን ዔፍሮን ምስ ኣቑሻታን፡ ወሰደሉ። 20የሮብዓም፡ ኣቢያ ኽሳዕ ዘሎ፡መሊሱ ሓይሊ ኣይነበሮን። እግዚኣብሄር ድማ ቀዘፎ፡ ሞተ ኸኣ።
21ኣቢያ ግና እናበርትዐ ኸደ። ዓሰርተው ኣርባዕተ ኣንስቲ ኣእትዩ ድማ፡ ዕስራን ክልተን ኣወዳትን ዓሰርተው ሹድሽተ ኣዋልድን ወለደ። 22እቲ ዝተረፈ ናይ ኣቢያ ግብርታትን መገድታቱን ዘረባታቱን ከኣ ኣብ ትርጓሜ ነብዪ ኢዶ ተጽሒፉ ኣሎ።

        2ይ. ዜና  ምዕራፍ 14            

   1ኣቢያ ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፡ ኣብ ከተማ ዳዊትውን ቀበርዎ። ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ኣሳ ነገሰ። በቲ ዘመኑ እታ ሃገር ዓሰርተ ዓመት ዓርፈት። 2ኣሳ ድማ እቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ጽቡቕን ቅኑዕን ዘበለ ገበረ። 3ነቲ ናይ ጓኖት መሰውኢታትን ነቲ በረኽትን ኣፍረሶ፡ ነቲ ኣዕኑድ ድማ ሰባበሮ፡ ንኣስታርቴታትውን ቈራረጾ። 4ንይሁዳ ኸኣ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም ክደልይዎን ነቲ ሕግን ትእዛዝን ድማ ክገብርዎን ኣዘዞም። 5ነቲ በረኽትን ምስልታት ጸሓይን ከኣ ካብ ኲለን ከተማታት ይሁዳ ወገደ፡ እታ መንግስቲ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ህድእቲ ነበረት። 6እታ ሃገር ህድእቲ ስለ ዝነበረት፡ እግዚኣብሄር ከኣ ዕረፍቲ ስለ ዝሃቦ፡ በተን ዓመታት እቲአን ውግእ ኣይነበሮን እሞ፡ ኣብ ይሁዳ ዕሩዳት ከተማታት ሰርሐ። 7ንይሁዳ በሎ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽና ስለ ዝደሌናዮስ፡ እዛ ሃገር ኣብ ቅድሜና ኣላ እሞ፡ ነዘን ከተማታት እዚአን ንስርሓየን ብመንደቓትን ግምብታትን መዓጹን መሃርሃርን ከኣ ንኽበበን። ንሕና ደሊናዮ ኢና እሞ፡ ንሱ ድማ ብዙርያና ዕረፍቲ ሂቡና ኣሎ። ንሳቶም ከኣ ሰርሑ፡ ሰለጠሎም ድማ። 8ኣሳ ኸኣ ዋላቱን ኲናውትን ዝጾሩ ኻብ ይሁዳ ሰለስተ ሚእቲ ሽሕ ሰራዊት ነበርዎ፡ ካብ ብንያምውን ዋላቱ ዝጾሩን ፍላጻ ዝውርውሩን ክልተ ሚእትን ሰማንያን ሽሕ ነበርዎ። እዚኣቶም ኲሎም ሓያላት ጀጋኑ ነበሩ። 9ዜራሕ እቲ ኢትዮጵያዊ ድማ ሽሕ ሳዕ ሽሕ ሰራዊትን ሰለስተ ሚእቲ ሰረገላን ሒዙ ኽዋግኦም ወጸ። ናብ ማረሻ ኸኣ መጸ። 10ኣሳውን ክገጥመሉ ወጸ እሞ፡ ኣብቲ፡ ለሰ ሸፋታ ናይ ማረሻ ንውግእ ተሰለፉ። 11ኣሳ ድማ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ኸምዚ ኢሉ ተማህለለ፡ ጐይታየ፡ ኣብ መንጎ እቲ ብዙሕ እቲ ዘለዎን ኣብ መንጎ እቲ ሓይሊ ዘይብሉን ክረድእ ዝኽእል ብዘይ ንስኻ የልቦን፡ ናባኻ ተጸጋዕና፡ ብስምካ ኢና ኸኣ ነዚ ጭፍራ እዚ ኽንገጥመሉ ዝመጻእና እሞ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ንስኻ ኢኻ ኣምላኽና እሞ፡ ሰብ ክሕይለካ ኣይትሕደግ። 12እግዚኣብሄር ድማ ነቶም ኢትዮጵያውያን ኣብ ቅድሚ ኣሳን ኣብ ቅድሚ ይሁዳን ሰዓሮም፡ ኢትዮጵያንውን ከኣ ሃደሙ። 13ኣሳን እቲ ምስኡ ዝነበረ ህዝብን ድማ ክሳዕ ግራር ሰጐጒዎም፡ እቶም ኢትዮጵያውያን ከኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርን ኣብ ቅድሚ ሰራዊቱን ተሰባበሩ እሞ፡ ካባታቶም ብህይወቱ ዘምልጥ ክሳዕ ዝሰኣኖም ወደቑ፡ ኣዝዩ ብዙሕ ምርኮ ድማ ማረኹ። 14ካብ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊኦም ሽብር ኰነ እሞ፡ ኣብ ዙርያ ግራር ንዘለዋ ዂለን ከተማታት ሰዓርወን። ኣባታተን ከኣ ብዙሕ ምርኮ ነበረ እሞ፡ ንዂለን እተን ከተማታት ዘመትወን። 15ድንኳውንቲ ኸብቲ እናፍረሱ ድማ፡ ብዙሓት ጤለ በጊዕን ኣግማልን ዘመቱ። ናብ የሩሳሌም ከኣ ተመልሱ።

        2ይ. ዜና  ምዕራፍ 15            

   1ንዓዛርያ ወዲ ዖዴድ ከኣ መንፈስ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊኡ መጾ። 2ኣብ ቅድሚ ኣሳ ወጺኡ ድማ በሎ፡ ኣታ ኣሳን ብዘሎኹም ይሁዳን ብንያምን፡ ስምዑኒ፡ ንስኻትኩም ምስ እግዚኣብሄር እንተ ትዀኑስ፡ ንሱ ምሳኻትኩም እዩ፡ እሻተ ደሌኹምዎ ድማ፡ ይርከበልኩም እዩ፡ ንስኻትኩም እንተ ትዀኑስ፡ ንሱ ምሳኻትኩም እዩ፡ እንተ ደሌኹምዎ ድማ፡ ይርከበልኩም እዩ፡ ንስኻትኩም እንተ ሓደግኩምዎ ግና፡ ንሱ ከኣ ክሓድገኩም እዩ። 3እስራኤልስ ነዊሕ ዘመን ብዘይ ኣምላኽ ሓቅን ብዘይ መሃሪ ካህንን ብዘይ ሕግን ነበሩ። 4ብጸበባኦም ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ተመሊሶም ምስ ደለይዎ ግና፡ ይርከበሎም ነበረ። 5ኣብተን ሃገራት እቲአን ንዝቕመጡ ዝነበሩ ዂሎም ብዙሕ ዕግርግር ነበረ እሞ፡ በተን ግዝያት እቲአን ንዝመጽእ ኰነ ንዝኣቱ ሰላም ኣይነበረን። 6ኣምላኽ ከኣ ብዂሉ ዓይነት ጸበባ የዕገርግሮም ነበረ እሞ፡ ህዝቢ ምስ ህዝቢ፡ ከተማ ምስ ከተማ ንሓድሕዶም ተሳባበሩ። 7ንስኻትኩም ግና እቲ ዕዮኹም ዓስቡ ኽረክብ እዩ እሞ፡ ጽንዑ፡ ኣእዳውኩምውን ዘርጋሕጋሕ ክብላ ኣይትሕደጉ።
8ኣሳ ድማ እዚ ቓላት እዝን ናይቲ ነብዪ ዖዴድ ትንቢትን ምስ ሰምዐ፡ ተብዐ እሞ ካብ ኲላ ሃገር ይሁዳን ብንያምን ካብተን ኣብ ከረን ኤፍሬም ዝሓዘን ከተማታትን ጽያፍ ዘበለ ወገደ፡ ነቲ ኣብ ቅድሚ ገበላ እግዚኣብሄር ዝነበረ መሰውኢ እግዚኣብሄር ከኣ ኣሓደሶ። 9ድማ ንብዘለዉ ይሁዳን ብንያምን ነቶም ካብ ኤፍሬምን ምናሴን ስምኦንን መጺኦም ምሳታቶም ዝነብሩ ዝነበሩ ስደተኛታትውን ኣከቦም። እግዚኣብሄር ኣምላኹ ምስኡ ኸም ዘሎ ምስ ረኣዩ፡ ካብ እስራኤል ብዙሓት ናብኡ ተጸግዑ። 10ሽዑ ንሳቶም ኣብ መበል ዓሰርተው ሓሙሽተ ዓመቱ ንመንግስቲ ኣሳ በታ ሳልሰይቲ ወርሒ ኣብ የሩሳሌም ተኣከቡ። 11በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ካብቲ ዘምጽእዎ ምርኮ ሾብዓተ ሚእቲ ብዕራይን ሾብዓተ ሽሕ በጊዕን ንእግዚኣብሄር ሰውኡሉ። 12ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም ብምሉእ ልቦምን ብዂሉ ነፍሶምን ክደልይዎስ ቃል ኪዳን ኣተዉ። 13ድማ ንእሽቶ ዀነ ወይስ ዓብዪ፡ ሰብኣይ ኰነ ወይስ ሰበይቲ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ዘይደለዮ ዘበለ ዂሉ ይሙት። 14ንእግዚኣብሄር ድማ ዓው ብዝበለ ድምጺን እልልታን ብመለኸትን እምብልታን መሓሉሉ። 15ብምሉእ ልቦም ምሒሎም ስለ ዝነበሩ ኸኣ፡ ብዘላ ይሁዳ በቲ ማሕላ ተሓጐሰት፡ ብምሉእ ፍቓዶም ድማ ደለይዎ፡ ንሱውን ተረኽበሎም። እግዚኣብሄር ከኣ ኣብ ዙርያኦም ዕረፍቲ ሃቦም።
16ንማዓካ ኣደ ንጉስ ኣሳ ድማ ናይ ኣስታርተ ጽዩፍ ምስሊ ስለ ዝገበረት፡ ካብ መንግስታ ሰዓራ፡ ኣሳ ኸኣ ነቲ ምስሊ ቘሪጹን ጨፍሊቑን ኣብ ርባ ቄድሮን ኣንደዶ። 17እቲ በረኽቲ ግና ካብ እስራኤል ኣይተወገደን። ግናኸ ልቢ ኣሳ ምሉእ ዘመኑ ፍጹም ነበረ። 18ነቲ ኣቦኡ ዝቐደሶን ንሱ ዝቐደሶን ብሩርን ወርቅን ኣቓሑን ከኣ ናብ ቤት ኣምላኽ ኣእተዎ። 19ክሳዕ መበል ሰላሳን ሓሙሽተን ዓመቱ ንመንግስቲ ኣሳ ኸኣ ውግእ ኣይነበረን።

        2ይ. ዜና  ምዕራፍ 16            

 
1ንመንግስቲ ኣሳ ኣብ መበል ሰላሳን ሹድሽተን ዓመቱ ባዔሻ ንጉስ እስራኤል ናብ ይሁዳ ደዪቡ፡ ናብ ኣሳ ንጉስ ይሁዳ ገለ ኸይወጽእን ከይኣቱን ምእንቲ ክኽልክል፡ ንራማ ሰርሓ። 2ሽዑ ኣሳ ኻብ መዛግብቲ ቤት እግዛኣብሄርን ቤት ንጉስን ብሩርን ወርቅን ኣውጺኡ ነቲ ኣብ ደማስቆ ዝነብር ዝነበረ ቤት ሃዳድ ንጉስ ሶርያ ኸምዚ ኢሉ ሰደደሉ፡ 3ኣብ ሞንጎ ኣቦይን ኣቦኻን ከም ዝነበረ፡ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ድማ ኪዳን ይኹን። እንሆ፡ ብሩርን ወርቅን ሰዲደልካ ኣሎኹ እሞ፡ ካባይ ምእንቲ ክኸይድሲ፡ ኪድ ነቲ ምስ ባዔሻ ንጉስ እስራኤል ዝኣቶኻዮ ኪዳን ኣፍርሶ። 4ቤን ሃዳድ ከኣ ንንጉስ ኣሳ ሰሚዑ ሓላቑ ሰራዊቱ ናብ ከተማታት እስራኤል ሰደደ፡ ንዕዮንን ንዳንን ንኣቤል ማይምን ንዂለን ናይ ንፍታሌም ከተማታት መዛግብትን ድማ ሰዓረን። 5ኰነ ኸኣ፡ በዔሻ እዚ ምስ ሰምዐ፡ ንራማ ምስርሓ ሓደገ፡ ነቲ ዕዮኡ ድማ ገደፎ። 6ሽዑ ንጉስ ኣሳ ንብዘላ ይሁዳ ወሲዱ ነቲ ባዔሻ-ዝሰርሓሉ ዝነበረ ናይ ራማ ኣእማንን ኣዕጫውን ኣልዓሎ እሞ፡ ብእኡ ገይሩ ንጌባዕን ንሚጽጳን ሰርሐን።
7በታ ግዜ እቲኣ ሃናነ እቲ ረኣዪ ናብ ኣሳ ንጉስ ይሁዳ መጺኡ በሎ፡ ኣብ ንጉስ ሶርያ ስለ እተመርኰስካ፡ ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ግና ስለ ዘይተመርኰስካ። ስለዚ እቲ ሰርዊት ንጉስ ሶርያ ኻብ ኢድካ መለቘ። 8ኢትዮጵያውያንን ልብያውያንንዶ ግዳ ምስ ኣዝዩ ብዙሕ ሰረገላትትን ፈረሰኛታትን ዓብዪ ሰራዊት ኣይነበሩን ኣብ እግዚኣብሄር ስለ እተመርኰስካ ግና፡ ንኣታቶም ኣብ ኢድካ ሃበካ። 9ነቶም ፈጺሙ ልቦም ናብኡ ዝጽጋዕ ምእንቲ ኸጽንዖምሲ፡ ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ናብ ብዘላ ምድሪ እየን ዝዞራ። በዝስ ዕሽነት ኢኻ ዝገበርካ፡ ስለዚ ድማ ካብ ሕጂ ጀሚሩ ውግእ ክለዓለካ እዩ። 10በዚ ነገር እዚ ግና ኣሳ ተናደደ እሞ ነቲ ረኣዪ ዀረየሉ፡ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኸኣ ኣእተዎ። በታ ግዜ እቲኣ ድማ ኣሳ ንገለ ኻብቶም ህዝቢ ገፍዖም።
11እንሆ ድማ፡ ግብርታት ኣሳ እቲ ቐዳማይን ዳሕራይን እንሆ፡ ንሱ ኣብቲ መጽሓፍ ነገስታት ይሁዳን እስራኤልን ተጽሒፉ ኣሎ። 12ኣሳ ኸኣ ኣብ መበል ሰላሳን ትሽዓተን ዓመት መንግስቱ ኣእጋሩ ሓመመ፡ እቲ ሕማሙ ኣዝዩ ብርቱዕ ኰነ። በቲ ሕማሙ ግና ንሓኪማት እምበር፡ ንእግዚኣብሄር ኣይደለዮን። 13ኣሳ ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ እሞ፡ ኣብ መበል ኣርብዓን ሓደ ዓመት መንግስቱ ሞተ። 14ኣብቲ ኣብ ከተማ ዳዊት ንርእሱ ዘውቀሮ መቓብሩ ኸኣ ቀበርዎ። ብብልሓት ገባር ሽቱ እተገብረ ጥዑም ዝጨናኡ ሽቱን በበይኑ ዓይነት ቀመማትን ኣብ ዝመልአት ዓራት ድማ ኣንበርዎ፡ ዓብዪ ምሕራር ከኣ ኣሕረሩሉ።

        2ይ. ዜና  ምዕራፍ 17            

   1ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ዮሳፋጥ ነገሰ። ንእስራኤልውን በርትዖም። 2ኣብ ኲለን እተዓርዳ ኸተማታት ይሁዳ ድማ ወትሃደራት፡ ኣብ ሃገር ይሁዳን ኣብተን ኣቦኡ ኣሳ ዝሓዘን ከተማታት ኤፍሬምን ሓለውቲ ኣቐመጠ። 3ዮሳፋጥ ድማ በተን ቀዳሞት መገድታት ኣቦኡ ዳዊት ይኸይድ ነበረ፡ ነቶም በዓላት ከኣ ኣይደለዮምን እሞ፡ እግዚኣብሄር ምስኡ ነበረ። 4ነቲ ኣምላኽ ኣቦኡ ደኣ ደለዮ፡ ብትእዛዛቱ ኸኣ ከደ እምበር፡ ከም ግብርታት እስራኤል ኣይከደን። 5ስለዚ እግዚኣብሄር ነታ መንግስቲ ኣብ ኢዱ ኣጽንዓ፡ ብዘለዉ ይሁዳ ድማ ንዮሳፋጥ ገጽ በረኸት ሃብዎ፡ ሃብትን ክብረትን ከኣ በዝሓሉ፡ 6ልቡ ብመገድታት እግዚኣብሄር ምስ ተብዐ፡ ነቲ በረኽትን ኣስታርቴታትን ከኣ ካብ ይሁዳ ኣርሓቖ።
7ኣብታ ሳልሰይቲ ዓመት ግዝኣቱ ኸኣ ንመኳንንቱ፡ ቤት ሓዪልን ዖባድያን ዘካርያስን ንታንኤልን ሚካያን ኣብ ከተማታት ይሁዳ ኽምህሩ ሰደዶም። 8ምሳታቶም ድማ ነቶም ሌዋውያን፡ ሸማዕያን ነታንያን ዘባድያን ዓሳሄልን ሸሚራሞትን ዮናታንን ኣዶንያን ጦብያን ጦብ ኣዶንያን፡ እቶም ሌዋውያን፡ ምሳታቶም ከኣ እቶም ካህናት፡ ኤሊሻማዕን ዮራምን፡ ሰደደ። 9መጽሓፍ ሕጊ እግዚኣብሄር ሒዞም ድማ ኣብ ይሁዳ መሃሩ፡ ኣብ ኲለን ከተማታት ይሁዳ ዞይሮም ከኣ ነቲ ህዝቢ ይምህሩ ነበሩ። 10ኣብ ልዕሊ ዂለን መንግስትታት ኣብተን ኣብ ዙርያ ይሁዳ ዝነበራ ሃገራት ድማ ፍርሃት እግዚኣብሄር ኰነ እሞ፡ ምስ ዮሳፍጥ ኣይተዋግኡን። 11ካብቶም ፍልስጥኤማውያን ከኣ ገሊኦም ንዮሳፋጥ ገጽ በረኸት ኣምጽኡሉ፡ ብሩርውን ገበሩሉ፡ ዓረባውያን ድማ ጤለ በጊዕ፡ ሾብዓተ ሽሕን ሚእትን ድዑል፡ ሾብዓተ ሽሕን ሾብዓተ ሚእትን ከኣ ምኩት ኣምጽኡሉ።
12ዮሳፋጥ ከኣ ኣዝዩ ልዕል ክሳዕ ዝብል እናዓበየ ኸደ፡ ኣብ ይሁዳ ድማ ዕርድታትን ከተማታት መዛግብትን ሰርሐ።
13ኣብ ከተማታት ይሁዳ ኸኣ ብዙሕ ዕዮታት ነበሮ፡ ኣብ የሩሳሌም ድማ ተዋጋእቲ ሰባት፡ ሓያላት ጀጋኑ ነበርዎ። 14ቁጽሮም በብማይ ቤት ኣቦታቶም ከኣ እዚ እዩ፡ ናይ ይሁዳ ሓላቑ ኣሽሓት፡ ዓድና እቲ ሓለቓ፡ ምስኡ ድማ ሰለስተ ሚእቲ ሽሕ ሓያላት ጀጋኑ፡ 15ድሕሪኡ ኸኣ ዮሓናን እቲ ሓለቓ፡ ምስኡውን ክልተ ሚእትን ሰማንያን ሽሕ፡ 16ድሕሪኡ ድማ እቲ ርእሱ ብፍታዉ ንእግዚኣብሄር ዝወፈየ ኣማስያ ወዲ ዚክሪ፡ ምስኡ ኸኣ ክልተ ሚእቲ ሽሕ ሓያላት ጀጋኑ፡ 17ካብ ብንያም ድማ እቲ ሓያል ጅግና ኤልያዳዕ፡ ምስኡውን ቀስትን ዋልታን ዝሓዙ ኽልተ ሚእቲ ሽሕ፡ 18ድሕሪኡ ድማ ዮዛባድ፡ ምስኡ ኸኣ ሚእትን ሰማንያን ሽሕ ንውግእ እተዳለዉ፡ 19ብዘይ እቶም እቲ ንጉስ ኣብተን ዕሩዳት ከተማታት ኣብ ብዘላ ይሁዳ ዘቐመጦም፡ ነቲ ንጉስ ዘገልግልዎ ዝነበሩ እዚኣቶም እዮም።

        2ይ. ዜና  ምዕራፍ 18            

   1ዮሳፋጥ ድማ ብዙሕ ሃብትን ክብረትን ነበሮ። ምስ ኣከኣብ ከኣ ተዋሰበ። 2ድሕሪ ገለ ዓመታት ከኣ ናብ ኣከኣብ ናብ ሰማርያ ወረደ። ኣከኣብ ድማ ንእኡን ነቲ ምስኡ ዝነበረ ህዝብን ብዙሓት ኣባጊዕን ኣላሕምን ሓረደሎም። ናብ ራሞትጊልዓድ ምስኡ ኽድይብ ከኣ ሓባበሎ። 3ሽዑ ኣከኣብ ንጉስ እስራኤል ንዮሳፋጥ ንጉስ ይሁዳ፡ ናብ ርሞትጊልዓድ ምሳይ ክትከይድዶ ትደሊ ኢኻ በሎ። ንሱ ድማ፡ ኣነ ኽማኻ እዩ፡ ህዝበይ ከኣ ከም ህዝብኻ እዩ፡ ናብቲ ውግእውን ምሳኻ እኸይድ፡ በሎ። 4ዮሳፋጥ ግና ንንጉስ እስራኤል፡ በጃኻ፡ ሎሚ ንቓል እግዚኣብሄር ደኣ ሕተት፡ በሎ። 5ሽዑ ንጉስ እስራኤል ነቶም ነብያት፡ ኣርባዕተ ሚእቲ ሰብ፡ ኣኪቡ፡ ናብ ራሞትጊልዓድ ንውግእ ክንከይድዶ ወይስ ክተርፍ በሎም። ንሳቶም ከኣ፡ ደይብ ደኣ ኣምላኽ ድማ ኣብ ኢድ ንጉስ ኣሕሊፉ ኽህባ እዩ፡ በሉ። 6ዮሳፋጥ ከኣ፡ ገናዶ እንሓቶ ነብዪ እግዚኣብሄር ኣብዚ የልቦን በለ። 7ንጉስ እስራኤል ከኣ ንዮሳፋጥ፡ ብእኡ ጌርና ንእግዚኣብሄር እንሓቶ ገና ሓደ ሰብኣይ እባ ኣሎ፡ ንሱ ኸኣ ሚክያስ ወዲ ዪምታ እዩ። ግናኸ ንሱ ንኣይ ኵሉሳዕ ክፉእ እምበር፡ ጽቡቕ ኣይንበየለይን እዩ፡ ኣነ እጸልኦ እየ፡ በሎ። ዮሳፋጥ ግና፡ ንጉስ ከምኡ ኣይዛረብ፡ በለ። 8ሽዑ ንጉስ እስራኤል ንሓደ ስሉብ ጸዊዑ፡ ንሚክያስ ወዲ ዪምላ ቐልጢፍካ ኣምጽኣዮ፡ መለ። 9እቲ ንጉስ እስራኤልን ዮሳፋጥ ንጉስ ይሁዳን ለልብሰ መንግስቶም ተኸዲኖም ኣብ ዘዝፋኖም ተቐመጡ፡ ኣብ ኣፍ ደገ ሰማርያ ኣብ ዘሎ ኣደባባይ ተቐሚጦም ነበሩ። ኵሎም እቶም ነብያት ድማ ኣብ ቅድሚኦም ኰይኖም ይንበዩ ነበሩ። 10ጼድቅያስ ወዲ ከናዓና ኸኣ ኣቕርንቲ ሓጺን ሰሪሑ፡ እግዚኣብሄር፡ ንሶርያዉያን ክሳዕ ዝውድኡ በዚኣተን ክትወግኦም ኢኻ፡ ይብል ኣሎ፡ በሎ። 11ኵሎም ነብያት ድማ ከምኡ፡ ናብ ራሞትጊልዓድ ደይብ፡ ክቐንዓካ ኸኣ እዩ፡ እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ኢድ ንጉስ ኣሕሊፉ ኽህባ እዩ፡ ኢሎም ይንበዩ ነበሩ። 12እቲ ንሚክያስ ክጽውዖ ዝኸደ ልኡኽ ከኣ፡ እንሆ፡ እቶም ነብያት ከም ሓደ ኣፍ ኰይኖም ነቲ ንጉስ ጽቡቕ ይዛረቡሉ ኣለዉ፡ ዘረባኻ ድማ፡ በጃኻ፡ ከም ሓደ ኻባታቶም ይኹን እሞ ጽቡቕ ተዛረብ፡ ኢሉ ተዛረቦ። 13ሚክያስ ግና፡ እቲ ኣምላኸይ ዝብሎ ንእኡ ኸም ዝዛረቦ፡ ህያው እግዚኣብሄር እዩ፡ በሎ። 14ናብ ንጉስ ምስ መጸ ድማ፡ እቲ ንጉስ፡ ኣታ ሚክያስ፡ ንራሞት ጊልዓድ ኬድናዶ ኽንዎጋእ ወይስ ክተርፍ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ደይብ፡ ክቐንዓካ ድማ እዩ፡ ንሳቶም ከኣ ኣብ ኣእዳውኩም ክወሃቡ እዩም፡ መሎ። 15እቲ ንጉስ ድማ፡ ብስም እግዚኣብሄር ሓቂ ጥራይ እምበር፡ ካልእ ከይትዛረበኒ፡ ኣነ ክንደይ ሳዕ ከምሕለካ እየ በሎ። 16ንሱ ኸኣ በለ፡ ንብዘለዉ እስራኤል ጓሳ ኸም ዘይብለን ኣባጊዕ ኣብ ኣኽራን ፋሕ ኢሎም ርኤኽዎም። እግዚኣብሄር ድማ፡ እዚኣቶም ጐይታ የብሎምን፡ ነፍሲ ወከፍ ብሰላም ነናብ ቤቱ ይመለስ፡ በለ። 17እቲ ንጉስ እስራኤል ከኣ ንዮሳፋጥ፡ እዚ ንኣይ ክፉእ እምበር፡ ጽቡቕሲ ኣይንበየለይን እዩዶ ኣይበልኩኻን በሎ። 18ሚክያስ ድማ በለ፡ ስለዚ ቓል እግዚኣብሄር ስምዑ። እግዚኣብሄር ኣብ ዝፋኑ ተቐሚጡ ብዘሎ ሰራውዊት ሰማይ ከኣ ብየማኑን ብጸጋሙን ቈይሞም ርኤኹ። 19እግዚኣብሄር ድማ፡ ንኣከኣብ ንጉስ እስራኤል ናብ ራሞትጊልዓድ ደዪቡ ኣብኣ ኽወድቕሲ፡ መን ይሓባብሎ በለ። ሽዑ ሓደ ከምዚ በለ፡ ሓደ ድማ ከምቲ በለ። 20ሽዑ ሓደ መንፈስ ወጸ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደው ኢሉ ድማ፡ ኣነ ኽሓባብሎ፡ በለ። እግዚኣብሄር ከኣ፡ ብምንታይ ጌርካ በሎ። 21ንሱ ድማ፡ ወጺአ ኣብ ኣፍ ኵሎም ነብያቱ ሓሳዊ መንፈስ ክኸውን እየ፡ በለ። እግዚኣብሄር ከኣ፡ ንስኻስ ትሓባብሎ ኢኻ፡ ትኽእሎ ድማ፡ ወጺእካ ኸምኡ ግበር፡ በሎ። 22ሕጂ ድማ፡ እንሆ፡ ኣብ ኣፍ እዞም ነብያትካ እዚቶም እግዚኣብሄር ሓሳዊ መንፈስ ሂብዎም ኣሎ። ኣብ ልዕሌኻ ኸኣ እግዚኣብሄር ክፉእ ተዛሪቡ ኣሎ። 23ሽዑ ጼድቅያስ ወዲ ከናዓና ቐሪቡ ንሚክያስ ኣብ ምዕጉርቱ ጸፍዖ እሞ፡ እቲ መንፈስ እግዚኣብሄርሲ ንዓኻ ኽዛረብ በየናይ መገዲ እዩ ኻባይ ዝሓለፈ በሎ። 24ሚክያስ ከኣ፡ እንሆልካ፡ በታ ንምሕባእ ካብ ውሻጠስ ናብ ውሻጠ እትኣትወላ መዓልቲ ክትርኢ ኢኻ፡ በለ። 25እቲ ንጉስ እስራኤል ድማ በለ፡ ንሚክያስ ሒዝኩም ናብ ኣሞን ሹም እታ ኸተማን ናብ ዮኣስ ወዲ ንጉስን ምለስዎ፡ 26በሉ ኸኣ፡ ንጉስ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኣነ ብሰላም ክሳዕ ዝምለስ፡ ነዚ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእትውዎ፡ እንጌራ መከራን ማይ መከራን ከኣ መግብዎ። 27ሚክያስ ድማ መለሰሉ፡ ብሰላም እንተ ተመሊስካ፡ እግዚኣብሄር ብኣይ ኣይተዛረበን እዩ። ኣቱም ህዝብታት፡ ኵላትኩም ስምዑ፡ ከኣ በለ። 28ከምኡ ኸኣ እቲ ንጉስ እስራኤልን ዮሳፋጥ ንጉስ ይሁዳን ናብ ራሞትጊልዓድ ደየቡ። 29እቲ ንጉስ እስራኤል ድማ ንዮሳፋጥ፡ ኣነ ኽዳውንተይ ለዊጠ ናብ ውግእ ክኣቱ እየ፡ ንስኻ ግና ክዳውንትኻ ተኸከን፡ በሎ። እቲ ንጉስ እስራኤል ከኣ ክዳውንቱ ለዊጡ ናብ ውግእ ኣተወ። 30እቲ ንጉስ ሶርያ ኸኣ ንሓላቑ ሰረገላታቱ፡ ንንጉስ እስራኤል ጥራይ ደኣ እምበር፡ ምስ ንእሽቶ ዀነ ምስ ዕብዪ ኣይትዋግኡ፡ ኢሉ ኣዘዞም። 31ኰነ ድማ፡ እቶም ሓላቑ ሰረገላታት ንዮሳፋጥ ምስ ረኣይዎ፡ ንሱ ንጉስ እስራኤል እዩ፡ በሉ፡ ክዋግእዎ ኸኣ ናብኡ ዞሩ። ዮሳፋጥ ግና ጨርሐ፡ እግዚኣብሄር ድማ ረድኦ፡ ኣምላኽ ከኣ ካብኡ ኣግለሶም፡ 32ኰነ ድማ፡ እቶም ሓላቑ ሰረገላታት ንሱ ንጉስ እስራኤል ከም ዘይኮነ ምስ ረኣዩ፡ ካብ ምስጓጉ ተምልሱ። 33ግናኸ ሓደ ሰብኣይ ቀስቱ ገቲሩ ናብ ዝወረደት ትውረድ ሰደዳ እሞ፡ ነቲ ንጉስ እስራኤል በታ መጋጠሚ ድርዒ ወግኦ። ሽዑ ንሱ ነቲ ብዓል ሰረገላ፡ ተወጊአ እየ እሞ፡ ኢድካ ምለሳ፡ ካብዛ ሰልፊ ኣውጽኣኒ፡ በሎ። 34በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ እቲ ውግእ በርትዐ፡ እቲ ንጉስ እስራኤል ከኣ ኣብ መንጽር ሶርያውያን ኰይኑ ኽሳዕ ምሸት ኣብቲ ሰረገላ ደው ኢሉ ነበረ። ጸሓይ ክትዓርብ ከላ ኸኣ ሞተ።

        2ይ. ዜና  ምዕራፍ 19            

   1ዮሳፋጥ ንጉስ ይሁዳ ግና ብሰላም ናብ ቤቱ ናብ የሩሳሌም ተመልሰ። 2እቲ ረኣዪ የሁ ወዲ ሓናኒ ኸኣ ክራኸቦ ወጸ። ንንጉስ ዮሳፋጥ ድማ በሎ፡ ንረሲእዶ ኽትሕግዞ፡ ነቶም ንእግዚኣብሄር ዝጸልእዎኸ ኽትፈትዎም ኢኻ በዚ ነገር እዚ ኻብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኲራ ኣብ ልዕሌኻ ኣሎ። 3ግናኸ ካብዛ ሃገር እዚኣ ንኣስታርተታት ኣርሓቕካ፡ ንልብኻውን ናብ ምድላይ ኣምላኽ መሊስካዮ ኢኻ እሞ፡ ጽቡቕ ነገር ተረኺቡካ ኣሎ።
 4ዮሳፋጥ ድማ ኣብ የሩሳሌም ተቐመጠ፡ መሊሱ ኸኣ ካብ ብኤር ሸባዕ ሒዙ ኽሳዕ ከረን ኤፍሬም ናብ መንጎ ህዝቢ ወጸ፡ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም ከኣ መለሶም። 5ኣብታ ሃገር ድማ፡ ኣብ ኩለን እተዓርዳ ኸተማታት ይሁዳ፡ ኣብ ከተማ ፈረድቲ ኣቐመጠ። 6ነቶም ፈረድቲውን በሎም፡ ነቲ እትገብርዎ ዘበለ ጠምቱ፡ ናይ እግዚኣብሄር እምበር፡ ናይ ሰብ ኣይኰነን እትፈርዱ ዘሎኹም እሞ፡ ንሱ ኸኣ በቲ ናይ ፍርዲ ነገር ምሳኻትኩም እዩ። 7እምበኣርስኸ ፍርሃት እግዚኣብሄር ይሃሉኹም፡ ተጠንቂቕኩም ግበርዎ፡ ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽናስ ዓመጻን ኣድልዎ ገጽን ምቕባል መማለጃን የልቦን። 8ዮሳፋጥ ድማ ኣብ የሩሳሌም ብናይ እግዚኣብሄር ፍርድን ኣብ ባእስን ክፈርዱ፡ ካብ ሌዋውያንን ካህናትን ካብቶም ሓላቑ ማይ ቤት ኣቦታት እስራኤልን ፈረድቲ ሾመ። ናብ የሩሳሌም ከኣ ተመልሱ። 9ከምዚ ኢሉ ድማ ኣዘዞም፡ ከምዚ ብፍርሃት እግዚኣብሄር ብእምነትን ብፍጹም ልብን ዕየዩ። 10ካብቶም ኣብ ከተማታቶም ዝነብሩ ኣሕዋትኩም ብዝመጸኩም ዘበለ ነገር ድማ፡ ንእግዚኣብሄር ከይብድሉ እሞ፡ ኣብ ልዕሌኹምን ኣብ ልዕሊ ኣሕዋትኩምን መዓት ከይመጽእ፡ ብናይ ደምን ደምን፡ ብናይ ሕግን ትእዛዝን ስርዓታትን ፍርድታትን ምዓድዎም። ከምኡ ግበሩ እሞ በደልቲ ኣይክትኰኑን ኢኹም። 11እንሆ ድማ፡ በቲ ናይ እግዚኣብሄር ዘበለ ዂሉ ነገር እቲ ሊቀ ኻህናት ኣማርያ፡ በቲ ናይ ንጉስ ዘበለ ዂሉ ነገርውን እቲ መስፍን ቤት ይሁዳ ዘባድያ ወዲ እስማኤል ኣብ ልዕሌኹም ኣለዉ። ጽኑዓት ኩኑ ግበርዎ ኸኣ፡ እግዚኣብሄር ድማ ምስቲ ገባር ጽቡቕ ይኹን።

        2ይ. ዜና  ምዕራፍ 20            

   1ኰነ ኸኣ፡ ድሕሪ እዚ ደቂ ሞኣብን ደቂ ዓሞንን፡ ምሳታቶም ድማ ካብቶም ዓሞናውያንን ንዮሳፋጥ ክወግእዎ መጹ። 2ዮሳፋጥ ከምዚ ኢሎም ዝነግርዎ ሰብ ከኣ መጹ፡ ካብ ማዕዶ ባሕሪ ኻብ ሶርያ ብዙሕ ሰራዊት ይመጸካ ኣሎ፡ እነዉ ድማ፡ ኣብ ሓጸጾን-ታማር ኣለዉ፡— ንሳዔን-ገዲ እያ። —  3ሽዑ ዮሳፋጥ ፈርሀ እሞ ንእግዚኣብሄር ክደልዮ ገጹ መለሰ፡ ኣብ ብዘሎ ይሁዳውን ጾም ኣወጀ። 4ይሁዳ ኸኣ ረዲኤት ካብ እግዚኣብሄር ክደሊ ተኣከበ፡ እወ፡ ካብ ኲለን ከተማታት ይሁዳ ንእግዚኣብሄር ክደልይዎ መጹ።
5ዮሳፋጥ ድማ ኣብታ ናይ ይሁዳን ናይ የሩሳሌምን ማሕበር፡ ኣብታ ቤት እግዚኣብሄር፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ሓድሽ ኣጸድ ደው በለ፡ 6በለ ኸኣ፡ ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትና፡ ንስኻዶ ኣይኰንካን ኣምላኽ ሰማይ እቲ ንዂለን መንግስትታት ኣህዛብ ዝገዝእ ድማ ኣይንስኻን ዲኻ ሓይልን ስልጣንን ከኣ ኣብ ኢድካ እዩ እሞ፡ ክቃወመካ ዝኽእል የልቦን። 7ዎ ኣምላኽና፡ ነቶም ኣብዛ ሃገር እዚኣ ተቐሚጦም ዝነበሩ፡ ካብ ቅድሚ ህዝብኻ እስራኤል ዘባረርካዮም፡ ንእኣ ኸኣ ንዘርኢ ኣብርሃም ፈታዊኻ ንዘለኣለም ዝሃብካዮም ንስኻዶ ኣይኰንካ 8ኣብኣ ድማ ተቐመጡ፡ ኣብኣውን ንስምካ መቕደስ ሰርሑ። ከምዚ ኸኣ በሉ፡ 9ኣብ ልዕሌና ኽፉእ እንተ መጸ፡ ሴፍ፡ፍርዲ ወይ ፌራ ወይ ጥሜት፡ ሽዑ ኣብ ቅድሚ እዛ ቤት እዚኣን ኣብ ቅድሜኻን ደው ክንብል ኢና፡ ስምካስ ኣብዛ ቤት እዚኣ እዩ እሞ፡ ብመከራና ናባኻ ኽንምህለል ኢና። ንስኻ ኸኣ ሰሚዕካ ኸተድሕን ኢኻ። 10ሕጂ ኸኣ፡ እንሆ፡ ደቂ ዓሞንን ሞኣብን ከረን ሰዒርን፡ ንእስራኤል፡ ካብ ምድሪ ግብጺ ኽወጹ ኸለዉ፡ ብኣታቶም ክኣትዉ ዘይፈቐድካሎም፡ ንሳቶም ግና ካብኦም ዘይሮም ዘየጥፍእዎም፡ 11እንሆ፡ ንሳቶም ካብዛ ዘረስቴኻና ርስትኻ ኸውጽኡና ብምምጻኦም ከመይ ዝበለ ውሬታ ይመልሱልና ኣለዉ። 12ዎ ኣምላኽና፡ ኣይትፈርዶምን ዲኻ ንሕናስ ኣብ ቅድሚ እዚ ዝመጸና ዘሎ ዓብዪ ጭፍራ ሓይሊ የብልናን፡ እንታይ ከም እንገብር ከኣ ኣይንፈልጥን ኢና፡ ኣዒንትና ግና ናባኻ ይጥምታ ኣለዋ። 13ብዘለዉ ይሁዳ ኸኣ ምስ ሕጻናቶምን ኣንስቶምን ደቆምን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደው ኢሎም ነበሩ። 14ሽዑ ኣብ ማእከል እታ ማሕበር ናብ ልዕሊ ያሓዚኤል ወዲ ዘካርያስ፡ ወዲ በናያ፡ ወዲ የዒኤል፡ ወዲ ማታንያ፡ እቲ ሌዋዊ ኻብ ደቂ ኣሳፍ፡ መንፈስ እግዚኣብሄር መጸ። 15ንሱ ድማ በለ፡ ኣቱም ሰብ ኲላ ይሁዳን ኣብ የሩሳሌም እትነብሩን፡ ንስኻ ንጉስ ዮሳፋጥውን፡ ስምዑ። እግዚኣብሄር ከምዚ ይብለኩም ኣሎ፡ እቲ ውግእ ናይ ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ናታትኩም ኣይኰነን እሞ፡ ኣብ ቅድሚ እዚ ዓብዪ ጭፍራ እዚ ኣይፍርሁን ኣይትሸበሩን። 16ጽባሕ ውረድዎም፡ እንሆ፡ በቲ ዓቐበት ጺጽ ይድይቡ ኣለዉ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ በረኻ የሩኤል፡ ኣብ ወሰን እቲ ለሰ ድማ ክትረኽብዎም ኢኹም። 17ኣቱም ይሁዳን የሩሳሌምን፡ ንስኻትኩምሲ ኣብዚ ኣይክትዋግኡን ኢኹም፡ ንቕድሚት ኣቢልኩም ደኣ ደው በሉ እሞ፡ እቲ ምድሓን እግዚኣብሄር ምሳኻትኩም ከም ዘሎ ርኣዩ፡ ኣይትፍርሁን ኣይትሸበሩን ከኣ። ጽባሕ ናብ ቅድሚኦም ዉጹ። እግዚኣብሄር ድማ ምሳኻትኩም እዩ።
18ሽዑ ዮሳፋጥ ብገጹ ናብ ምድሪ ፍግም በለ፡ ብዘለዉ ይሁዳን ኣብ የሩሳሌም ዝቕመጡ ዝነበሩን ከኣ ንእግዚኣብሄር ክሰግዱሉ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ብገጾም ተደፍኡ። 19እቶም ሌዋውያን ካብ ደቂ ቀሃታውያንን ካብ ደቂ ቆራሓውያንን ድማ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ኣዝዩ ዓው ብዝበለ ድምጺ ኸመስግንዎ ተንስኡ።
20ንጽባሒቱ ኸኣ ኣንጊሆም ተንሲኦም፡ ናብቲ በረኻ ተቆዓ ወጹ። ክወጹ ኸለዉ ድማ፡ ዮሳፋጥ ደው ኢሉ በሎም፡ ኣቱም ይሁዳን ኣብ የሩሳሌም እትነብሩን፡ ስምዑኒ፡ ብእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እመኑ እሞ ጽኑዓት ክትኰኑ ኢኹም፡ ብነብያቱውን እመኑ እሞ ጽኑዓት ክትኰኑ ኢኹም፡ ብነብያቱውን እመኑ እሞ ክቐንዓኩም እዩ። 21ምስቶም ህዝቢ ምስ ተማኸረ ኸኣ፡ ንእግዚኣብሄር ዝዝምሩንቅዱሳት ኣልባስ ለቢሶም ድማ ቀቅድሚ ሰራዊት ክወጹ ኸለዉ፡ ዘመስግንዎን ሰባት ኣቘመ፡ ንሳቶም ከኣ ከምዚ ኽብሉ እዮም፡ ምሕረቱ ንዘለኣለም እዩ እሞ፡ ንእግዚኣብሄር ኣመስግንዎ።
22ክዝምሩን ክውድሱን ምስ ጀመሩ ኸኣ ነቶም ናይ ይሁዳ ኢሎም ዝመጹ ደቂ ዓሞንን ሞኣብን ነቶም ናይ ከረን ሰዒርን እግዚኣብሄር ድቡቓት ኣምጽኣሎም እሞ፡ ተሳዕሩ። 23እቶም ደቂ ዓሞንን ሞኣብንሲ ነቶም ኣብ ከረን ሰዒር ዝነብሩ ክቐትልዎምን ከጥፍእዎምን ተንስኡ፡ ነቶም ኣብ ሰዒር ዝነብሩ ምስ ወድእዎም ድማ፡ ንሓድሕዶም ክጣፋፍኡ ተሓጋገዙ። 24ይሁዳ ድማ ናብቲ ናይ በረኻ ግምቢ ዘብዐኛ ምስ መጹ፡ ገጾም ናብቲ ጭፍራ ኣበሉ፡ እንሆ ድማ፡ ሓደ እኳ ኸይመለቘ ናብ ምድሪ ዝወደቑ ሬሳታት ኰኑ። 25ዮሳፋጥን ህዝቡን ነቲ ምርኮኦም ክገፉ ምስ መጹ ኸኣ፡ ኣብ መንጎ እቶም ሬሳታት ብዙሕ ሃብቲ፡ ገንዘብን ክቡር ኣቓሑን፡ ረኸቡ፡ ምጽዋሩ ኽሳዕ ዝስእኑ ንርእሶም ሓፈሱ፡ እቲ ምርኮ ብዙሕ ነበረ እሞ፡ ሰለስተ መዓልቲ ኽገፍዎ ወዓሉ። 26በታ ራብዐይቲ መዓልቲ ድማ ኣብ ለሰ በራካ ተኣከቡ፡ ኣብኣ ንእግዚኣብሄር ባረኽዎ፡ ስለዚ ስም እታ ቦታ እቲኣ ኽሳዕ ሎሚ ለሰ በራካ ኢሎም ይሰምይዋ ኣለዉ።
7ሽዑ እግዚኣብሄር ኣብቶም ጸላእቶም ኣሓጒስዎም ነበረ እሞ፡ ናብ የሩሳሌም ብሓጐስ ክምለሱስ፡ ኲሎም ሰብ ይሁዳን የሩሳሌምን፡ ዮሳፋጥ ቀቅድሚኦም እናኸደ፡ ተመልሱ። 28ብመሰንቆን ብበገናን ብመለኸትን ድማ ናብ የሩሳሌም ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣተዉ። 29ኲሎም መንግስትታት ሃገራት ድማ ነቶም ጸላእቲ እስራኤል፡ እግዚኣብሄር ከም ዝወግኦም ምስ ሰምዑ፡ ፍርሃት ኣምላኽ ኣብ ልዕሊኦም ኰነ። 30መንግስቲ ዮሳፋጥ ከኣ ሃድአት፡ ኣምላኹ ድማ ኣብ ዙርያኡ ዕረፍቲ ሃቦ።
31ዮሳፋጥ ኣብ ልዕሊ ይሁዳ ነገሰ። ክነግስ ከሎ፡ ወዲ ሰላሳን ሓሙሽተን ዓመት ነበረ፡ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ገዝአ። ስም ኣዲኡ ኸኣ ዓዙባ ነበረ፡ ንሳ ጓል ሺልሒ እያ። 32ብመገዲ ኣቦኡ ኣሳ ድማ ኸደ፡ ነቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ዝዀነ ምግባር ካብኡ ኣየግለሰን። 33ግናኸ እቲ በረኽቲ ኣይተወገደን ነበረ፡ እቶም ህዝቢውን ገና ልቦም ናብ ኣምላኽ ኣቦታቶም ኣየቕንዑን ነበሩ።
34እቲ ዝተረፈ ናይ ዮሳፋጥ ግብሪ፡ እቲ ቐዳማይን እቲ ዳሕራይን፡ እንሆ፡ ንሱ ኣብቲ ኣብ ዩ ወዲ ሓናኒ ተጸሒፉ ኣሎ።
35ድሕርዚ ግና ዮሳፋጥ ንጉስ ይሁዳ ምስቲ ረሲእነት ዝግብሩ ኣሓዝያ ንጉስ እስራኤል ተሓባበረ። 36ንተርሲስ ዝኸዳ መራኽብ ክሰርሑ ምስኡ ሓበረ። ኣብ ዔጽዮን-ጋበር ከኣ መራኽብ ሰርሑ። 37ሽዑ ኤሊዔዘር፡ ወዲ ዶዳባሁ ብዓል ማረሻ፡ ኣብ ልዕሊ ዮሳፋጥ፡ ምስ ኣሓዝያ ሰለ ዝሓበርካ፡ እግዚኣብሄር ድማ ነቲ ስራሕካ ኸፍርሶ እዩ፡ ኢሉ ተነበየሉ። እተን መራኽብ ከኣ ተሰብራ እሞ፡ ንተርሲስ ክኸዳ ኣይከኣላን።

        2ይ. ዜና  ምዕራፍ 21            

   1ዮሳፋጥ ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፡ ኣብ ከተማ ዳዊት ከኣ ምስ ኣቦታቱ ተቐብረ። ኣብ ክንዳኡ ድማ ወዱ ዮራም ነገሰ። 2ኣሕዋት ከኣ ደቂ ዮሳፋጥ ነበርዎ፡ ዓዛርያን የሒኤልን ዘካርያስን ዓዛርያሁን ሚካኤልን ሸፋጥያን፡ እዚኣብቶም ኲሎም ደቂ ዮሳፋጥ ንጉስ እስራኤል ነበሩ። 3ኣቦኦም ድማ ብዙሕ ህያባት፡ ብሩርን ወርቅን ክቡር ዘበለ ነገርን ምስተን ኣብ ይሁዳ ዝነበራ ዕሩዳት ከተማታት ሃቦም፡ ንዮራም ግና፡ ንሱ በዂሪ ነበረ እሞ፡ እታ መንግስቲ ንእኡ ሃቦ። 4ዮራም ከኣ ኣብታ መንግስቲ ኣቦኡ ደዪቡ ምስ ጸንዐ፡ ንዂሎም ኣሕዋቱን ንገሊኦም ካብ ሓላቑ እስራኤልን ብሴፍ ቀተሎም።
5ዮራም ክነግስ ከሎ፡ ወዲ ሰላሳን ክልተን ዓመት ነበረ። ኣብ የሩሳሌም ከኣ ሾሞንተ ዓመት ገዝአ። 6ግናኸ፡ ሰበይቱ ጓል ኣከኣብ ነበረት እሞ፡ ከምቲ ቤት ኣከኣብ ዝገበርዎ፡ ብመገዲ ነገስታት እስራኤል ከደ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ። 7እግዚኣብሄር ግና፡ ምእንቲ እቲ ምስ ዳዊት ዝኣተዎ ኺዳንን ከምቲ ንእኡን ንደቁን ንሓዋሩ መብራህቲ ኽህቦም ዝበለን፡ ነታ ቤት ዳዊት ከጽንታ ኣይፈተወን።
8ብዘመኑ ኤዶም ካብ ትሕቲ ኢድ ይሁዳ ዓለዉ፡ ኣብ ልዕሊኦም ድማ ንጉስ ኣንገሱ፡ 9ሽዑ ዮራም ምስ ሓላቑኡ፡ ኵለን ሰረገላኡ ኸኣ ምስኡ፡ ናብኡ ሓለፈ፡ ብለይቲ ተንሲኡ ድማ ነቶም ካቢቦምዎ ዝነበሩ ኤዶማውያንን ነቶም ሓላቑ ሰረርገላታትን ወቕዖም። 10ኤዶም ከኣ ክሳዕ ሎሚ ኣብ ትሕቲ ኢድ ይሁዳ ዓለወ። ንሱ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቱ ስለ ዝሓደጎ፡ ሊብናውን በቲ ግዜ እቲ ኻብ ትሕቲ ኢዱ ዓለወት። 11ንሱ ድማ ኣብ ኣኽራን ይሁዳ በረኽቲ ሰርሐ፡ ነቶም ኣብ የሩሳሌም እተቐመጡ ኸኣ ኣመንዘሮም፡ ንይሁዳውን ኣስሓቶም። 12ግናኸ ካብ ነብዪ ኤልያስ ከምዚ እትብል ጽሕፈት መጸቶ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦኻ ዳዊት ከምዚ ይብለካ ኣሎ፡ ብመገዲ ኣቦኻ ዮሳፋጥን ብመገዲ ኣሳ ንጉስ ይሁዳን ስለ ዘይከድካ፡ 13ብመገዲ ነገስታት እስራኤል ግና ስለ እተመላለስካ፡ ከምቲ ቤት ኣከኣብ ዝገበረቶ ንይሁዳን ኣብ የሩሳሌም ንዝነብሩን ስለ ዘመንዘርካዮም፡ ነቶም ናይ ቤት ኣቦኻ ኻባኻ ዝሓሹ ዝነበሩ ኣሕዋትካውን ስለ ዝቐተልካዮም፡ 14እንሆ፡ እግዚኣብሄር ንህዝብኻን ንደቅኻን ነንስትኻን ንብዘሎ ጥሪትካን ብዓብዪ መቕዘፍቲ ክቐዝፎም እዩ። 15ንስኻ ድማ ኣምዑትካ ብምኽንያት ሕማም በብግዜኡ ኽሳዕ ዝወጽእ፡ ኣብ ኣምዑትካ ብርቱዕ ሕማም ክትሓምም ኢኻ።
16እግዚኣብሄር ድማ መንፈስ ፍልስጥኤማውያንን እቶም ኣብ መንጽር ኢትዮጵያ ዝነብሩ ዓረባውያንን ኣብ ልዕሊ ዮራም ኣተንስአ። 17ናብ ይሁዳ ደዪቦም ኣተውዋ እሞ ኣብ ቤት ንጉስ ንተረኽበ ዂሉ ገንዘብ በዝበዙ፡ ደቁን ኣንስቱውን ወሰዱ፡ ብዘይ ዮኣስ፡ እቲ ኻብቶም ደቁ ዝነኣሰ፡ ገለ ወዲ ኣይተረፎን። 18ድሕርዚ ዂሉ ድማ እግዚኣብሄር ኣብ ኣምዑቱ ብዘይፍወስ ሕማም ወቕዖ። 19ካብ መዓልቲ ንመዓልቲ ኸምኡ ኢሉ ግዜሓለፈ፡ ክልተ ዓመት ምስ ተወድኣ ኸኣ፡ ኣማዑቱ ብምኽንያት ሕማሙ ወጸ፡ ብብርቱዕ ቃንዛ ድማ ሞተ። ህዝቡ ኸኣ፡ ከምቲ ምሕራር ኣቦታቱ፡ ምሕራር ኣይገበሩሉን። 20ንሱ ኽነግስ ከሎ፡ ወዲ ሰላሳን ክልተን ዓመት ነበረ፡ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ሾሞንተ ዓመት ገዝአ። ሓደ እኳ ኸይደለዮ ኸደ። ኣብ ከተማ ዳዊት ተቐብረ፡ ግናኸ ኣብ መቓብር ነገስታት ኣይኰነን።

        2ይ. ዜና  ምዕራፍ 22            

   1ኣብ ክንዳኡ ድማ እቶም ደቂ የሩሳሌም ነቲ ንእሽቶ ወዱ ኣሓዝያ ኣንገስዎ። እዚ ኸኣ ንዂሎም እቶም ዓበይቲ እቲ ምስ ዓረባውያን ናብቲ ሰፈር ዝመጸ ጭፍራ ስለ ዝቐተሎም እዩ። ከምዚ ኢሉ ኣሓዝያ፡ ወዲ ዮራም ንጉስ ይሁዳ፡ ነገሰ። 2ኣሓዝያ ኽነግስ ከሎ ወዲ ኣርብዓን ክልተን ዓመት ነበረ፡ ኣብ የሩሳሌም ድማ ሓንቲ ዓመት ገዝአ። ስም ኣዲኡ ኸኣ ዓታልያ እዩ፡ ንሳ ጓል ዖምሪ እያ። 3ኣዲኡ ረሲእነት ንምግባር መኻሪቱ ነበረት እሞ፡ ንሱ ድማ ብመገዲ ቤት ኣከኣብ ከደ። 4ድሕሪ ሞት ኣቦኡ ንሳቶም እዮም ንጥፍኣቱ መኸርቱ ዝነበሩ እሞ፡ ንሱ ኸኣ፡ ከም ቤት ኣከኣብ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ። 5በቲ ምኽሮም ከይዱ ድማ ምስ ዮርም ወዲ ኣከኣብ፡ ንጉስ እስራኤል፡ ንሃዛኤል ንጉስ ሶርያ ኣብ ራሞት ጊልዓድ ክዋግኦ ኸደ። እቶም ሶርያውያን ግና ንዮራም ወግእዎ። 6ሽዑ እቲ ምስ ሓዛኤል ንጉስ ሶርያ ኽዋጋእ ከሎ፡ ነቲ ኣብ ራማ ዝወግእዎ ቑስሉ ኣብ ይዝርኤል ክፍወሳ ተመልሰ። ኣዛርያ ወዲ ዮኡራም ንጉስ ይሁዳ፡ ድማ ንዮራም ወዲ ኣከኣብ፡ ንሱ ሓሚሙ ነበረ እሞ፡ ኣብ ይዝርኤል ክርእዮ ወረደ። 7ግናኸ እቲ ኣሓዝያ ናብ ዮራም ምምጻኡ ንጥፍኣቱ ኻብ ኣምላኽ እሮኡ ዝነበረ። ናብኡ ምስ መጸ፡ ነቲ ንቤት ኣከኣብ ከጽንታ ኢሉ እግዚኣብሄር ዝቐብኦ የሁ ወዲ ኒምሺ ክቕበሎ ምስ ዮራም ወጸ። 8ኰነ ኸኣ፡ የሁ ነቲ ቤት ኣከኣብ ፍርዲ ኸውርደላ ኸሎ፡ ነቶም ሓላቑ ይሁዳን ነቶም ንኣሓዝያ ዘገልግሉ ዝነበሩ ደቂ ኣሕዋቱ ንኣሓዝያን ረኸቦም እሞ ቀተሎም። 9ንኣሓዝያ ኸኣ ደለዮ እሞ፡ ኣብ ሰማርያ ተሓቢኡ ኸሎ፡ ሒዞም ናብ የሁ ኣምጽእዎ ቐተልዎ ኸኣ፡ ንሳቶምውን፡ ንሱስ ወዲ እቲ ብምሉእ ልቡ ንእግዚኣብሄር ዝደለዮ ዮሳፋጥ እዩ፡ ኢሎም ቀበርዎ። ድሕርዚ ኻብ ቤት ኣሓዝያ ነታ መንግስቲ ኽሕዛ ዝኸኣለ የልቦን።
10ዓታልያ ኣደ ኣሓዝያ ድማ ወዳ ኸም ዝሞተ ብዝረኣየት፡ ተንሲኣ ንብዘሎ ዘርኢ ቤተ መንግስቲ ይሁዳ ኣጥፍአት። 11ግናኸ ንሆወብዓት ጓል ንጉስ፡ ንዮኣስ ወዲ ኣሓዝያ ወሲዳ ኻብ ማእከል እቶም እተቐትሉ ደቂ ንጉስ ሰረቐቶ፡ ንእኡ ምስ መጒዚቱ ኸኣ ናብ ሕልፍኚ ዓራ ኣእተወቶ። ከምኡ የሆወብዓት ጓል ንጉስ ዮራም፡ ሰበይቲ ኻህን ዮያዳ፡— ንሳ ሓብቲ ኣሓዝያ እያ፡—  ካብ ቅድሚ ዓታልያ ሓብኣቶ እሞ፡ ዓታልያ ኣይቀተለቶን። 12ንሱ ድማ ሹድሽተ ዓመት ምሳታቶም ኣብ ቤት ኣምላኽ ተሓብአ። ዓታልያ ኸኣ ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ነጊሳ ነበረት።

        2ይ. ዜና  ምዕራፍ 23            

   1በታ ሳብዐይቲ ዓመት ግና ዮያዳ ተብዐ እሞ፡ ነቶም ሓላቑ ሚእቲ፡ ንዓዛርያ ወዲ የሮሓምን እስማዔል ወዲ ዮሓናንን ዓዛርያ ወዲ ዖቤድን ማዓስያ ወዲ ዓዳያን ኤሊሻፋጥ ወዲ ዝኽሪን፡ ወሲዱ ምስኡ ኪዳን ኣእተዎም። 2ኣብ ይሁዳ እናዞሩ ድማ ካብ ኲለን ከተማታት ይሁዳ ንሌዋውያንን ነቶም ሓላቑ ማይ ቤት ኣቦታት እስራኤልን ኣከብዎም፡ ናብ የሩሳሌም ከኣ መጹ። 3ብዘሎ ማሕበር ድማ ምስቲ ንጉስ ኣብታ ቤት ኣምላኽ ኪዳን ኣተወ። ዮያዳ ኸኣ በሎም፡ እንሆ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ብዛዕባ ደቂ ዳዊት እተዛረቦ፡ ወዲ ንጉስ ይንገስ። 4እቲ እትገብርዎ ነገር እዚ እዩ፡ ኣቱም ብሰንበት እትኣትዉ፡ ካብ ካህናትን ካብ ሌዋውያንን ሲሶኹም ሓለውቲ ደጌታት ይኹኑ። 5ሲሶ ድማ ኣብ ቤተ ንጉስ፡ ሲሶውን ኣብ ደገ ኣጻድ ቤት እግዚኣብሄር ይኹን። 6ግናኸ ናብታ ቤት እግዚኣብሄር ካህናትን እቶም ዘገልግሉ ሌዋውያንን እምበር፡ ካልእ ኣይእቶ። ንሳቶም ቅዱሳን እዮም እሞ፡ ይእተዉ፡ ኲሉ እቲ ህዝቢ ግና ነቲ ሓለዋ እግዚኣብሄር ይሓልዎ። 7እቶም ሌዋውያን ድማ ነፍሲ ወከፍ ኣጽዋሮም ኣብ ኢዶም ሒዞም፡ ንንጉስ ብዙርያኡ ይኽበብዎ። ናብታ ቤት ዝኣቱ ዘበለ ኸኣ ይሙት። እቲ ንጉስ ክኣቱን ክወጽእን ከሎ ድማ ምስኡ ኹኑ። 8እቲ ኻህን ዮያዳ፡ ነቶም ክፍልታት ኣየሰናበቶምን ነበረ እሞ፡ እቶም ሌዋውያንን ብዘለዉ ይሁዳን ከምቲ ኻህን ዮያዳ ዝኣዘዞም ኲሉ ገበሩ፡ ነፍሲ ወከፍ ነቶም ብሰንበት ዝኣትው ምስቶም ብሰንበት ዝወጹ ገይሮም፡ ሰሰቦም ይወስድዎም ነበሩ። 9ካህን ዮያዳ ድማ እቲ ኣብ ቤት ኣምላኽ ዝጸንሐ ናይ ንጉስ ዳዊት ዝነበረ ዂናውትን በብዓይነቱ ዋላቱን ነቶም ሓላቑ ሚእቲ ሃቦም። 10ንዂሉ እቲ ህዝቢ ኸኣ፡ ነፍሲ ወከፍ ኣጽዋሩ ብኢዱ ሒዙ፡ ካብ የማናይ ወገን እታ ቤት ጀሚሩ ኽሳዕ ጸጋማይ ወገን እታ ቤት፡ ኣብ ጥቓ እቲ መሰውእን እታ ቤትን፡ ኣብ ዙርያ እቲ ንጉስ ኣቘሞም። 11ሽዑ ነቲ ወዲ ንጉስ ኣውጺኦም ዘውዲ ደፍኡሉ፡ እቲ ምስክርውን ሃብዎ እሞ ኣንገስዎ። ዮያዳን ደቁን ከኣ ቀብእዎ እሞ፡ ንጉስ ህያው ይኹን፡ በሉ።
12ዓታልያ ድማ ድምጺ እቶም ነቲ ንጉስ እናጐየዩ ዝውድስዎ ዝነበሩ ህዝቢ ምስ ሰምዐት፡ ናብቶም ህዝቢ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣተወት። 13እንተ ጠመተት ከኣ፡ እንሆ፡ እቲ ንጉስ ኣብ ጥቓ እቲ መእተዊ ኣብቲ ዓንዱ ደው ኢሉ፡ እቶም ሓላቑን እቶም ነፋሕቲ መለኸትን ከኣ ምስ ንጉስ ነበሩ። ብዘሎ ህዝቢ እታ ሃገር ከኣ ተሓጒሱ መለኸት ይነፍሕ ነበረ። እቶም መዘምራንውን ብመሳርያ ሙዚክ ነቲ መዝሙር ምስጋና መርሑ። ሽዑ ዓታልያ ኽዳውንታ ቐዲዳ፡ ዕልወት እሮኡ፡ ዕልወት እዩ፡ ኢላ ጨርሐት።
14እቲ ኻህን፡ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ኣይትቕተልዋ፡ ኢሉ ነበረ እሞ፡ ካህን ዮያዳ ድማ ነቶም ነቲ ሰራዊት ዝመርሑ ሓላቑ ሚእቲ ኣውጺኡ፡ ካብ ቤት ብማእከል መስርዕ ኣውጽእዋ፡ ንዝስዕባ ኸኣ ብሴፍ ቅተልዎ፡ በሎም። 15ኣግልስ ኣቢሎም ኣሕለፍዋ እሞ፡ ናብታ ናይ ናብ ቤተ ንጉስ እተእቱ ደገ ኣፍራስ ከደት፡ ኣብኡ ኸኣ ቀተልዋ።
16ዮያዳ ድማ፡ ህዝቢ እግዚኣብሄር ክዀኑ ኢሉ፡ ኣብ መንጎ ርእሱን ኣብ መንጎ ብዘሎ ህዝብን ንንጉስ ኪዳን ኣቘመ። 17ብዘለዉ እቶም ህዝቢ ኸኣ ናብ ቤት በዓል ኣትዮም ኣፍረስዋ፡ ነቲ መሰውኢታቱን ምስልታቱን ድማ ሰባበርዎ። ንማታን ካህን በዓል ከኣ ኣብ ቅድሚ መሰውኢ ሓረድዎ። 18ከምቲ ኣብ ሕጊ ሙሴ ተጽሒፉ ዘሎ፡ ከምቲ ዳዊት ዝሰርዖ፡ ዳዊት ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ብሓጐስን ብመዝሙርን ዝሓርር መስዋእቲ እግዚኣብሄር ከዕርጉ ንዝመደቦም ካህናት፡ ሌዋውያን፡ ዮያዳ ኣብታ ቤት እግዚኣብሄር ሓለውቲ ገበሮም። 19ብዝዀነ ነገር ዝረኸሰ ምእንቲ ኸይኣቱስ፡ ኣብተን ደጌታት ቤት እግዚኣብሄር ነቶም ሓለውቲ ኣቘሞም። 20ነቶም ሓላቑ ሚእትን ነቶም ክቡራትን ነቶም ናይ ህዝቢ ስልጡናትን ንብዘሎ ህዝቢ እታ ሃገርን ድማ ወሰዶም፡ ነቲ ንጉስ ድማ ካብ ቤት እግዚኣብሄር ኣውረዶ፡ በታ ላኦለይቲ ደገ ናብ ቤተ ንጉስ ኣትዮም ከኣ፡ ነቲ ንጉስ ዝፋን መንግስቲ ኣቐመጥዎ። 21ብዘለዉ ህዝቢ እታ ሃገር ድማ ተሓጐሱ፡ እታ ኸተማውን ሃድአት። ንዓታልያ ግና ብሴፍ ቀቲሎምዋ ነበሩ።

        2ይ. ዜና  ምዕራፍ 24            

   1ዮኣስ ክነግስ ከሎ፡ ወዲ ሾብዓተ ዓመት ነበረ፡ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ኣርብዓ ዓመት ገዝአ። ስም ኣዲኡ ድማ ጺብያ፡ ንሳ ኻብ ብኤር ሸባዕ እያ። 2ዮኣስ ከኣ ብዂሉ ዘመን እቲ ኻህን ዮያዳ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅነዕ ዘበለ ገበረ። 3ዮያዳ ድማ ክልተ ኣንስቲ ኣምጽኣሉ እሞ፡ ኣወዳትን ኣዋልድን ወለደ።
4ድሕርዚ ኸኣ ዀነ፡ ዮኣስ ነታ ቤት እግዚኣብሄር ክሕድሳ ሓሰበ። 5ነቶም ካህናትን ሌዋውያንን ኣኪቡ ድማ፡ ናብተን ከተማታት ይሁዳ ኼድኩም፡ ካብ ዓመት ናብ ዓመት ንምሕዳስ ቤት ኣምላኽኩም ዝኸውን ገንዘብ ካብ ብዘሎ እስራኤል ኣክቡ፡ በዚ ነገር እዚ ኸኣ ቐልጥፉ፡ በሎም። እቶም ሌዋውያን ግና ኣይቀልጠፉን። 6ሽዑ እቲ ንጉስ ንሊቀ ኻህናት ዮያዳ ጸዊዑ በሎ፡ ስለምንታይ ኢኻ ነቶም ሌዋውያን እቲ ሙሴ ባርያ እግዚኣብሄር ንማሕበር እስራኤል ዝሓገገላ ግብሪ ድንኳን ምስክር ካብ ይሁዳን ካብ የሩሳሌምን ከምጽኡ ዘይገደድካዮም 7ነታ ቤት ኣምላኽስ፡ ደቂ ዓታልያ፡ እታ ረሲእ ሰበይቲ፡ ኣበላሽዮምዋ እዮም፡ እቲ ንቤት እግዚኣብሄር እተቐደሰ ዘበለ ዂሉ ድማ ንበዓላት ገይሮምዎ እዩም።
8እቲ ንጉስ ድማ ኣዘዘ እሞ፡ ሓደ ሳጹን ገይሮም ኣብ ወጻኢ፡ ኣብ ጥቓ እቲ ደገ ቤት እግዚኣብሄር ኣቐመጥዎ። 9ድማ እቲ ሙሴ ባርያ ኣምላኽ እስራኤል ኣብ በረኻ ዝሓገገሎም ግብሪ ናብ እግዚኣብሄር ከእትዎ ኣብ ይሁዳን ኣብ የሩሳሌምን ኣወጁ። 10ኲሎም ሓላቑን ብዘለዉ ህዝብን ከኣ ተሓጒሶም ገንዘብ ኣምጽኡ እሞ ኽሳዕ ዝውዳእ ናብቲ ሳጹን ኣእተውዎ። 11ኰነ ኸኣ፡ ነቲ ሳጹን ብኢድ እቶም ሌዋውያን ናብቶም ቈጸርቲ ንጉስ ዘምጽኡሉ ግዜ ምስ በጽሐት፡ ኣብኡ ኸኣ ብዙሕ ገንዘብ ከም ዘሎ ምስ ረኣዩ፡ ናይ ንጉስ ጸሓፍን እቲ ናይ ሊቀ ኻህናት ቈጻርን መጹ፡ ነቲ ሳጹን ገልቢጦም ከኣ ናብ ቦታኡ መለስዎ። ካብ መዓልቲ ንመዓልቲ ኸምኡ ገበሩ እሞ ብዙሕ ገንዘብ ኣከቡ። 12ንጉስ ዮያዳን ድማ እዚ ነቶም ነቲ ዕዮ ስራሕ ቤት እግዚኣብሄር ዝዓዩ ዝነበሩ ሃብዎም። ንምሕዳስ ቤት እግዚኣብሄር ከኣ ወቐርትን ጸረብትን፡ ንምጽጋን እታ ቤት እግዚኣብሄር ድማ ዓየይቲ ሓጺንን ኣስራዝን ተወዓዓሉሉ። 13እቶም ዓየይቲ ኸኣ ይዓዩ ነበሩ፡ እቲ ዕዮ ድማ ብኢዶም እናወሰኸ ሰልጠነ እሞ፡ ነታ ቤት ኣምላኽ ከምታ ናይ ቀደማ ገይሮም ኣዐርዮም ኣጽንዕዋ። 14ምስ ወድኡ ኸኣ፡ ነቲ ዝተረፈ ገንዘብ ናብ ቅድሚ ንጉስን ዮያዳን ኣምጽእዎ፡ ካብኡ ድማ ኣቃሑ ንቤት እግዚኣብሄር፡ ኣቓሑ ንኣገልግሎትን ንዝሓርር መስዋእትን፡ ማናኩን ኣቓሑ ወርቅን ብሩርን ገበሩ። ዮያዳ ኽሳዕ ዘሎ ኸኣ ኣብታ ቤት እግዚኣብሄር ኲሉግዜዝሓርር መስዋእቲ የዕርጉ ነበሩ።
15ዮያዳ ግና ሸምገለ፡ ዕድመ ጸጊቡ ድማ ሞተ። ንሱ ኽመውት ከሎ፡ ወዲ ሚእትን ሰላሳን ዓመት ነበረ። 16ኣብ እስራኤል ንኣምላኽ ነታ ቤቱን ጽቡቕ ሰል ዝገበረሎም ድማ፡ ምስቶም ነገስታት ኣብ ከተማ ዳዊት ቀበርዎ። 17ድሕሪ ሞት ዮያዳ ግና እቶም ሓላቑ ይሁዳ መጺኦም ንንጉስ ፍግም በሉሉ። ሽዑ እቲ ንጉስ ሰምዖም። 18ነታ ቤት እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም ሓዲጎም ድማ ንኣስታርቴታትን ጣኦታትን ኣገልገሉ። በዚ ኣበሳኦም ከኣ ኣብ ልዕሊ ይሁዳን የሩሳሌምን ቁጥዓ መጸ። 19ናብ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኸምልስዎም ድማ፡ ንሱ ነብያት ሰደደሎም፡ ንሳቶም ከኣ ይገንሕዎም ነበሩ፡ ግናኸ ኣይሰምዕዎን።
20ዘካርያስ ወዲ ኻህን ዮያዳ ድማ መንፈስ ኣምላኽ ለበሰ እሞ ኣብ ልዕሊ እቶም ህዝቢ ደው ኢሉ በሎም፡ ኣምላኽ ከምዚ ይብለኩም ኣሎ፡ ስለምንታይ ኢኹም ትእዛዛት እግዚኣብሄር ዘፍረስኩም ሰናይ ኣይክትረኽቡን ኢኹም። ንእግዚኣብሄር ስለ ዝሓደግኩምዎ፡ ንሱ ኸኣ ሓዲጉኩም እዩ። 21ሽዑ ንእኡ ተማሓሓሉሉ፡ ብትእዛዝ ንጉስ ድማ ኣብቲ ኣጸድ ቤት እግዚኣብሄር፡ ብዳርባ እምኒ ቐተልዎ። 22ንጉስ ዮኣስ ነቲ ኣቦኡ ዮያዳ ዝገበረሉ ምሕረት ኣይዘከሮን፡ ነቲ ወዱ ደኣ ቐተሎ። ንሱ ግና ክመውት ከሎ፡ ነዝስ እግዚኣብሄር ይርእዮ ይድለዮውን ነበረ።
23ኰነ ድማ፡ እታ ዓመት ምስ ሓለፈት፡ ሰራዊት ሶርያ ናብኡ ደየበ እሞ ናብ ይሁዳን የሩሳሌምን ኣትዮም ንብዘለዉ ሓላቑ ህዝቢ ኻብቲ ህዝቢ ኣጥፍእዎም። ንዂሉ እቲ ምርኮኦም ከኣ ናብቲ ንጉስ ኣብ ደማስቆ ሰደድዎ። 24እቲ ሰራዊት ሶርያ ምስ ሒዶት ጭፍራ ሰብ መጸ። እቶም ህዝቢ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም ሓዲጎምዎ ስለ ዝነበሩ ግና፡ እግዚኣብሄር ኣዝዩ ብዙሕ ሰራዊት ኣብ ኢዶም ሃቦም። ነቲ ፍርዲ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ዮኣስ ኣውረድዎ።
25እዚኣቶም ካብኡ ምስ ከዱ ኸኣ፡— ንሱ ኣዝዩ ሓሚሙ ኸሎ ሓዲጎምዎ ነበሩ፡— ገላውኡ ብምኽንያት ደም ደቂ ኻህን ዮያዳ ተማሓሓሉሉ፡ ኣብታ ዓራቱ ቐተልዎ፡ ሞተ ኸኣ። ኣብ ከተማ ዳዊት ቐበርዎ፡ ግናኸ ኣብ መቓብራት ነግስታት ኣይቀበርዎን። 26እቶም እተማሓሓሉሉ ድማ ዛባድ፡ ወዲ ሺምዓት ዓሞናዊትን ዮዛባድ፡ ወዲ ሺምሪት ሞኣባዊትን እዮም።
27ብናይ ደቁን ብናይ ብዝሒ እቲ እተጻዕነሉ ግብርን ብናይ ምሕዳስ ቤት ኣምላኽን፡ እንሆ፡ ንሱ ኣብቲ ትርጓሜ መጽሓፍ ነገስታት ተጽሒፉ ኣሎ። ኣብ ክንዳኡ ድማ ወዱ ኣማስያ ነገሰ።

        2ይ. ዜና  ምዕራፍ 25            

   1ኣማስያ ኽነግስ ከሎ፡ ወዲ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ነበረ። ኣብ የሩሳሌም ድማ ዕስራን ትሽዓተን ዓመት ገዝአ። ስም ኣዲኡ ኸኣ ዮዓዳን ነበረ፡ ንሳ ኻብ የሩሳሌም እያ። 2ንሱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ገበረ፡ ግናኸ ብምሉእ ልቡ ኣይኰነን። 3ኰነ ድማ፡ እታ መንግስቱ ምስ ጸንዓትሉ፡ ነቶም ንኣቦኡ ንጉስ ዝቐተሉ ገላዉኡ ቐተሎም። 4ግናኸ ከምቲ ኣብ ሕጊ፡ ኣብ መጽሓፍ ሙሴ፡ ተጽሒፉ ዘሎ፡ ነፍሲ ወከፍ በብሓጢኣቱ ደኣ ይሙት እምበር፡ ኣቦታት ብሰሪ ደቂ ኣይሙቱ፡ ደቂውን ብሰሪ ኣቦታት ኣይሙቱ፡ ኢሉ እግዚኣብሄር ከም ዝኣዘዘ፡ ነቶም ደቆም ኣይቀተሎምን።
5ኣማስያ ድማ ንይሁዳ ኣኪቡ በብማይ ቤት ኣቦታቶም ደው ኣበሎም፡ ንብዘላ ይሁዳን ብንያምን መምስ ሓላቑ ሽሕን ሓላቑ ሚእትን ከኣ ሰርዖም። ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ንዘለዉ ቘጸሮም፡ ኲናትን ዋልታን ሒዞም ናብ ውግእ ዝወጹ ዘበሉ ኸኣ ሰለስተ ሚእቲ ሽሕ ሕሩያት ሰብኡት ከም ዝዀኑ ረኸቦም። 6ብሚእቲ ታለንት ብሩር ገይሩ፡ ካብ እስራኤል ሚእቲ ሽሕ ሓያላት ጀጋኑ ተኻረየ። 7ሓደ ናይ ኣምላኽ ሰብ ግና ናብኡ መጺኡ በሎ፡ ዎ ንጉስ፡ እግዚኣብሄር ምስ እስራኤል፡ ምስ ብዘለዉ ደቂ ኤፍሬም ኣይኰነን እሞ፡ ሰራዊት እስራኤል ምሳኻ ኣይኺድ። 8ክትከይድ እንተ ደሌኻ ግና፡ ኪድ። ኣብ ውግእ በርትዕ። ግናኸ ኣምላኽ ኣብ ቅድሚ ጸላእቲ ኸውድቐካ እዩ። ከመይሲ ኣምላኽ ንምርዳእ ኰነ ወይ ንምጥፋእ ስልጣን ኣለዎ። 9ኣማስያ ኸኣ ነቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ በቲ ንጭፍራ እስራኤል ዝሃብክዎም ሚእቲ ታለንትኸ እንታይ ይገበር በሎ። እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ድማ፡ ካብኡ ዝበዝሕ እግዚኣብሄር ክህበካ ይኽእል እዩ፡ በለ። 10ሽዑ ኣማስያ ነቶም ካብ ኤፍሬም ዝመጹ ጭፍራ ናብ ስፍራኦም ክኸዱ ፈለዮም። ግናኸ ቁጥዓኦም ኣብ ይሁዳ ኣዝዩ ተናደደ፡ ብእተናደደ ቑጥዓ ኸኣ ናብ ስፍራኦም ተመልሱ።
11ኣማስያ ድማ ተቢዑ ንህዝቡ ኣውጽአ፡ ናብ ለሰ ጨው ከይዱ ኸኣ፡ ካብ ደቂ ሰዒር ዓሰርተ ሽሕ ወቕዐ። 12እቶም ደቂ ይሁዳ ኸኣ ዓሰርተ ሽሕ ብህይወቶም ሒዞም፡ ናብ ርእሲ ሓንቲ ኸውሒ ኣደየብዎም፡ ካብ ርእሲ እታ ኸውሒ ድማ ንቑልቁል ኣጽደፍዎም፡ ኲሎም ከኣ ተጨፍለቑ። 13እቶም ኣማስያ ናብ ውግእ ምስኡ ኸይከዱ ዘሰናበቶም ሰባት ጭፍራ ግና ንኸተማታት ይሁዳ፡ ካብ ሰማርያ ኽሳዕ ቤት ሖሮን፡ ሓደጋ ወደቑወን እሞ ኣባታተን ሰለስተ ሽሕ ቀተሉ፡ ብዙሕ ምርኮውን ማረኹ።
14ኰነ ድማ፡ ኣማስያ ንኤዶማውያን ስዒርዎም ክምለስ ከሎ፡ ኣማልኽቲ ደቂ ሰዒር ተማልአ፡ ኣማልኽቱ ክዀኑ ድማ ኣቘሞም፡ ኣብ ቅድሚኦም ከኣ ሰገደ፡ ዕጣንውን ዓጠነሎም። 15ሽዑ ቑጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ኣማስያ ተናደደ እሞ፡ ሓደ ነብዪ ናብኡ ሰደደ። ንሱ ኸኣ፡ ስለምንታይ ኢኻ ነዞም ህዝቦም ካብ ኢድካ ዘየድሓኑ ኣማልኽቲ እዞም ህዝቢ ዝደሌኻዮም በሎ። 16ኰነ ድማ፡ እዚ ምስ ተዛረቦ፡ ንሱ ኸኣ፡ ናይ ንጉስ መኻሪ ኽትከውንዶ ሼምናካ ኢና ግደፍ፡ ንምንታይ ክትቅተል እትደሊ በሎ። እቲ ነብዪ ድማ፡ ምኽረይ ብዘይ ምስማዕካ እዚ ኻብ ገበርካስ፡ ኣምላኽ ከጥፍኣካ ኸም ዝመደበ ፈለጥኩ፡ ኢሉ ገደፎ።
17ሽዑ ኣማስያ ንጉስ ይሁዳ፡ ምኽሪ ምስ መኸረ፡ ናብ ዮኣስ ንጉስ እስራኤል፡ ወዲ ዮኣሓዝ፡ ወዲ የሁ፡ ሰዲዱ፡ ንዓ እሞ ገጽ ንገጽ ንርእአ፡ በሎ። 18ዮኣስ ንጉስ እስራኤል ግና ንኣማስያ ንጉስ ይሁዳ ልኢኹ ኸምዚ በሎ፡ እቲ ኣብ ሊባኖስ ዝነበረ እሾዂ ነቲ ኣብ ሊባኖስ ዝነበረ ቄድሮስ፡ ንወደይ ሰበይቲ ኽትኰኖ ጓልካ ሃቦ፡ ኢሉ ለኣኸሉ። እቶም ኣብ ሊባኖስ ዝነበሩ ኣራዊት መሮር ድማ ሓለፉ፡ ነቲ እሾዂ ከኣ ረገጽዎ። 19እንሆ፡ ንኤዶም ስዒረያ፡ ትብል ኣሎኻ፡ ልብኻስ ከኽብረካ ኢሉ ተዓበየ። ሕጂ ኣብ ቤትካ ተቐመጥ፡ ስለምንታይ ኢኻ ንስኻ፡ ይሁዳ ኸኣ ምሳኻ፡ ክትወድቕስ ኣብ መከራ እትኣቱ 20ንኣማልኽቲ ኤዶም ስለ ዝደለይዎም ግና፡ ኣምላኽ ኣብ ኢድ ጸላእቶም ክህቦም መዲቡ ነበረ እሞ፡ በዚ እዩ ኣማስያ ነዚ ዘይሰምዐ። 21ሽዑ ዮኣስ ንጉስ እስራኤል ደየበ እሞ፡ ንሱን ኣማስያ ንጉስ ይሁዳን ኣብታ ኣብ ይሁዳ ዘላ ቤት ሸመሽ ንገጽ ተራኣኣዩ። 22ግናኸ ይሁዳ ኣብ ቅድሚ እስራኤል ተሳዕረ፡ ነፍሲ ወከፍ ድማ ናብ ድንኳኑ ሃደመ። 23ንኣማስያ ንጉስ ይሁዳ፡ ወዲ ዮኣስ ወዲ ዮኣሓዝ፡ ድማ ዮኣስ ንጉስ እስራኤል ኣብ ቤት ሸመሽ ሓዞ፡ ናይ የሩሳሌም ከኣ ኣምጽኦ፡ ንመካበብያ የሩሳሌም ካብ ደገ ኤፍሬም ጀሚሩ ኽሳዕ ደገ መኣዝን ኣርባዕተ ሚእቲ እመት ኣፍረሰ። 24እቲ ምስ ዖቤድ ኤዶም ዝነበረ፡ ኣብ ቤት ኣምላኽ እተረኽበ ዂሉ ወርቅን ብሩርን ኲሉ ኣቓሑን መዛግብቲ ቤት ንጉስን ዝሆ ዝዀኑ ደቅን ሒዙ ናብ ሰማርያ ተመልሰ።
25ኣማስያ ንጉስ ይሁዳ ወዲ ዮኣስ ድማ ድሕሪ ሞት ዮኣስ ንጉስ እስራኤል፡ ወዲ ዮኣሓዝ፡ ዓሰርተው ሓሙሽተ ዓመት ጸንሐ። 26እቲ ዝተረፈ ናይ ኣማስያ ነገር፡ ቀዳማዩን ዳሕራዩን ከኣ፡ ንሱ ኣብ መጽሃፍ ነገስታት ይሁዳን እስራኤልንዶ ተጽሒፉ ኣየሎን 27ድሕሪ እታ ኣማስያ ኻብ እግዚኣብሄር ዝረሓቐላ ግዜ ኣብ የሩሳሌም ማሕላ ተማሓሓሉሉ። ንሱ ድማ ናብ ላኪሽ ሃደመ። ደድሕሪኡ ናብ ላኪሽ ልኢኾም ከኣ ኣብኣ ቐተልዎ። 28ኣብ ኣፍራስ ሰቒሎም ወሰድዎ፡ ኣብ ከተማ ይሁዳ ኸኣ ምስ ኣቦታቱ ቐበርዎ።

        2ይ. ዜና  ምዕራፍ 26            

   1ብዘለዉ ህዝቢ ይሁዳ ኸኣ ንዑዝያ፡ ንሱ ወዲ ዓሰርተው ሹድሽተ ዓመት ከሎ፡ ወሲዱ ንእኡ ኣብ ክንዲ ኣቦኡ ኣማስያ ኣንገስዎ። 2ንሱ ንኤሎት ሰርሓ፡ እቲ ንጉስ ምስ ኣቦታቱ ብዝደቀሰ ድማ፡ ናብ ይሁዳ መለሳ። 3ዑዝያ ኽነግስ ከሎ፡ ወዲ ዓሰርተው ሹድሽተ ዓመት ነበረ፡ ሓምሳን ክልተን ዓመት ድማ ኣብ የሩሳሌም ገዝአ። ስም ኣዲኡ ኸኣ የኮልያ እዩ፡ ንሳ ኻብ የሩሳሌም እያ። 4ከምቲ ኣቦኡ ኣማስያ ዝገበሮ ዂሉ ድማ፡ ንሱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ገበረ። 5እቲ ናይ ኣምላኽ ራእይ ዘስተብህል ዘካርያስ ክሳዕ ዘሎ ኸኣ ንኣምላኽ ይደልዮ ነበረ። ንእግዚኣብሄር ክደልዮ ኸሎ ድማ፡ ኣምላኽ የቃንዓሉ ነበረ። 6ወጺኡ ኸኣ ምስ ፍልስጥኤማውያን ተዋግአ እሞ ፡ ንመካበብያታት ጋትን መካበብያታት ያብነን መካበብያታት ኣሽዶድን ኣፍረሰ። ኣብ ምድሪ ኣሽዶድን ኣብ ማእከል ሃገር ፍልስጥኤማውያንን ከኣ ከተማታት ሰርሐ። 7ኣብ ልዕሊ ፍልስጥኤማውያንን ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ጉር በዓል ዝነብሩ ዝነበሩ ዓረባውያንን ኣብ ልዕሊ መዑናውያንን ከኣ ኣምላኽ ሓገዞ። 8ዓሞናውያን ድማ ንዑዝያ ህያባት ሃብዎ፡ ንሱ ብዘይ ልክዕ በርትዐ እሞ፡ ስሙ ኽሳዕ ግብጺ ኸደ።
9ዑዝያ ድማ ኣብ የሩሳሌም ኣብ ልዕሊ ደገ መኣዝንን ኣብ ልዕሊ ደገ ለሰን ኣብ ልዕሊ መኣዝንን ግምብታት ሰርሐ ኣጽንዖውን። 10ኣብ ቈላን ኣብ ጐልጐልን ድማ ብዙሓት ከብቲ ነበራኦ እሞ፡ ኣብ በረኻውን ግምብታት ሰርሐ፡ በዙሕ ሓጽብታት ከኣ ኰዓተ። ፈታው ማሕረስ ድማ ነበረ እሞ፡ ኣብ ኣኽራንን ኣብቲ ፍርያም ግርሁን ሓረስቶትን ዓየይቲ ኣታኽልቲ ወይንን ነበርዎ። 11ዑዝያ ኸኣ ንውግእ እተማህረ ሰራዊት ነበሮ። ንሱ ኸምቲ የዒኤል እቲ ጸሓፍን ማዓስያ እቲ ኻብቶም ሓላቑ ንጉስ፡ ዝጸሓፍዎን ዝቘጸርዎን ጭፍራታት ተሰሪዖም ናብ ውግእ ይወጹ ነበሩ። 12ብዘሎ ቑጽሪ እቶም ሓላቑ ማይ ቤት ኣቦታት፡ ሓያላት ጀጋኑ፡ ክልተ ሽሕን ሹድሽተ ሚእትን ነበረ። 13ኣብ ትሕቲ ኢዶም ድማ ንጉስ፡ ንጸላኢ ንምውጋእ ዝሕግዞ፡ ሰለስተ ሚእትን ሾብዓተ ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ሓያልን ጅግናን ዝዀነ ሰራዊት ነበሮ። 14ዑዝያ ኸኣ ንብዘሎ እዚ ሰራዊት ዋላቱን ኲናውትን ቁራዕ ርእስታትን ድርዕታትን ቀስትታትን ዝውንጨፍ ኣእማንን ኣዳለወሉ። 15ኣብ የሩሳሌም ድማ ፍላጻታትን ዓበይቲ ኣእማንን ዝውርውረሉ ብብልሓት ብልሃተኛ እተገብረ መሳርያታት ኣብ ግምብታትን ኣብ መኣዝናትን ዝዀና ነበረ። ክሳዕ ዝብርትዕ ብዘደንቕ ተረዲኡ ነበረ እሞ፡ ስሙ ኽሳዕ ርሑቕ ወጸ።
16ምስ ሰልጠነ ግና፡ ልቡ ንጥፍኣቱ ተዓበየሉ። ናብቲ መቕደስ እግዚኣብሄር ኣትዩ፡ ኣብቲ መሰውኢ ዕጣን ክዓጥን ኢሉ ንእግዚኣብሄር ኣምላኹ በደሎ። 17ካህን ኣዛርያ፡ ምስኡ ሰማንያ ተብዓት ካህናት እግዚኣብሄር ሒዙ ደድሕሪኡ ኣተወ። 18ንሳቶም ንንጉስ ዑዝያ ተቓወምዎ፡ ከምዚ ኢሎም ከኣ ተዛረብዎ፡ ዎ ዑዝያ፡ ንእግዚኣብሄር ዕጣን ምዕጣንሲ ናይቶም ክዓጥኑ እተቐደሱ ኻህናት ደቂ ኣሮን እዩ እምበር፡ ናትካ ኣይኰነን። በዲልካ፡ እዚ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣይከኽብረካን እዩ እሞ፡ ካብ ቤት መቅደስ ውጻእ። 19ሽዑ ዑዝያ ዀረየ፡ ነታ ዝዓጥነላ ጽንሃህ ከኣ ሒዝዋ ነበረ። ነቶም ካህናት ክዂርየሎም ከሎ፡ ኣብ ውሽጢ እታ ቤት እግዚኣብሄር፡ ኣብ ጥቓ መሰውኢ ዕጣን፡ ኣብ ቅድሚ እቶም ካህናት ኣብ ግምባሩ ለምጺ ወጸቶ። 20ሊቀ ኻህናት ኣዛርያን ኲሎም ካህናትን ድማ ጠመትዎ፡ እንሆ ኸኣ፡ ኣብ ግምባሩ ለምጻም ነበረ እሞ፡ ካብኡ ተቐላጢፎም ኣውጽእዎ። እግዚኣብሄር ስለ ዝቐጽዖ ባዕሉውን ቀልጢፉ ወጸ። 21ንጉስ ዑዝያ ድማ ክሳዕ መዓልቲ ሞቱ ለምጻም ነበረ። ካብ ቤት እግዚኣብሄር ተወጊዱ ስለ ዝነበረ ኸኣ፡ ለምጻም ኰይኑ ኣብ ፍልይቲ ቤት ተቐመጠ። ወዱ ዮታም ድማ ኣብ ልዕሊ እታ ቤት ንጉስ ነበረ። ንህዝቢ እታ ሃገርውን ይፈርድ ነበረ።
22እቲ ዝተረፈ ናይ ዑዝያ ነገር ከኣ፡ ቀዳማዮን ዳሕራዩን፡ ነብዪ ኢሳይያስ ወዲ ኣሞጽ ጽሒፍዎ ኣሎ። 23ዑዝያ ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፡ ምስ ኣቦታቱውን ቀበርዎ። ንሱ ለምጻም ነበረ፡ ይብሉ ነበሩ እሞ፡ ኣብታ ናይ ነገስታት መቓብር ዘላ ምድሪ ቐበርዎ። ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ዮታም ነገሰ።

        2ይ. ዜና  ምዕራፍ 27            

   1ዮታም ክነግስ ከሎ፡ ወዲ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ነበረ፡ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ዓሰርተው ሹድሽተ ዓመት ገዝአ፡ ስም ኣዲኡ ድማ የሩሻ እዩ፡ ንሳ ጓል ጻዶቅ እያ። 2ንሱ ናብ መቕደስ እግዚኣብሄር ደኣ ኣይኣተወን እምበር፡ ከምቲ ኣቦኡ ዑዝያ ዝገበሮ ዂሉ፡ ኣብ ቅድም እግዚኣብሄር ቅኑዕ ዘበለ ገበረ። እቶም ህዝቢ ግና ይእብሱ ነበሩ። 3ንሱ ነቲ ላዕላይ ደገ ቤት እግዚኣብሄር ሰርሐ፡ ኣብ መካበብያ ዖፌልውን ብዙሕ ሰርሐ። 4ኣብ ከረን ይሁዳ ድማ ከተማታት ሰርሐ፡ ኣብ ዱር ከኣ ዕርድታትን ግምብታትን ሰርሐ። 5ንሱ ኸኣ ምስ ንጉስ ደቂ ዓሞን ተዋጊኡ ሰዓሮም እሞ፡ በታ ዓመት እቲኣ እቶም ደቂ ዓሞን ሚእቲ ታለንት ብሩርን ዓሰርተ ሽሕ ቆሮስ ስርናይን ዓሰርተ ሽሕ ቆሮስ ስገምን ሃብዎ። እቶም ደቂ ዓሞን በታ ኻልኣይትን ሳልሰይትን ዓመት ከኣ ከክንድዚ ሃብዎ። 6ዮታም መገድታቱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ስለ ዘቕንዐ ድማ፡ በርትዐ።
7እቲ ዝተረፈ ናይ ዮታም ነገርን ኲሉ ውግኡን መገድታቱን ከኣ፡ እንሆ፡ንሱ ኣብ መጽሓፍ ነገስታት እስራኤልን ይሁዳን ተጽሒፉ ኣሎ። 8ክነግስ ከሎ፡ ወዲ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ነበረ፡ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ዓሰርተው ሹድሽተ ዓመት ገዝአ። 9ዮታም ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፡ ኣብ ከተማ ዳዊት ከኣ ቐበርዎ። ኣብ ክንዳኡ ድማ ወዱ ኣሃዝ ነገሰ።

        2ይ. ዜና  ምዕራፍ 28            

   1ኣሃዝ ክነግስ ከሎ፡ ወዲ ዕስራ ዓመት ነበረ። ኣብ የሩሳሌም ከኣ ዓሰርተው ሹድሽተ ዓመት ገዝአ። ከም ኣቦኡ ዳዊት ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ኣይገበረን። 2ብመገድታት ነገስታት እስራኤል ደኣ ይኸይድ ነበረ፡ አረ ንሱስ ንበዓላትውን ፍሱስ ምስልታት ገበረ። 3ንሱ ኣብ ለሰ ወዲ ሂኖም ከኣ ዕጣን ዓጠነ፡ ከም ጽያፍ እቶም እግዚኣብሄር ካብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ዝሰጐጎም ኣህዛብ ገይሩ ኸኣ፡ ንደቁ ኣብ ሓዊ ኣንደዶም። 4ኣብ በረኽትን ኣብ ኲርባታትን ኣብ ትሕቲ ዂሉ ልምሉም ኣእዋምን ድማ ይስውእን ይዓጥንን ነበረ።
5ስለዚ ኸኣ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ኣብ ኢድ ንጉስ ሶርያ ኣሕሊፉ ሃቦ፡ ንሳቶም ድማ ሰዓርዎ እሞ፡ ካብ ናቱ ዓብዪ ጭፍራ ማሪኾም፡ ናብ ደማስቆ ኣምጽእዎ። ኣብ ኢድ ንጉስ እስራኤልውን ተዋህበ፡ ንሱ ኸኣ ብዓብዪ ስዕረት ሰዓሮ። 6ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም ስለ ዝሓደግዎስ፡ ጴቃሕ ወዲ ረማልያ ኻብ ይሁዳ ብሓንቲ መዓልቲ ሚእትን ዕስራን ሽሕ ቀተለ፡ ኲሎም ተዋጋእቲ ሰብ ነበሩ። 7ዚክሪ ዝብሃል ሓደ ጅግና ኤፍሬማዊ ድማ ንማዓስያ ወዲ ንጉስን ንዓዝሪቃም ሹም ቤትን ኤልቃና ቢትወደድ ንጉስን ንዓዝሪቃም ሹም ቤትን ኤልቃና ቢትወደድ ንጉስን ቀተሎም። 8እቶም ደቂ እስራኤል ከኣ ካብ ኣሕዋቶም ክልተ ሚእቲ ሽሕ ኣንስትን ኣወዳትን ኣዋልድን ማረኹ፡ ካባታቶም ብዙሕ ምርኮ ወሲዶም ድማ፡ ነቲ ምርኮ ናብ ሰማርያ ኣምጽእዎ።
9ኣብኡ ግና ዖዴድ ዝስሙ ነብዪ እግዚኣብሄር ነበረ፡ ንሱ ነቲ ናብ ሰማርያ ዝመጽእ ሰራዊት ክቀባበሎ ወጸ፡ በሎም ድማ፡ እንሆ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትኩም ኣብ ይሁዳ ስለ እተቘጥዐ፡ ንእኦም ኣብ ኢድኩም ሃበኩም፡ ንስኻትኩም ከኣ ናብ ሰማይ ብዝበጽሕ ነድሪ ቐተልኩምዎም። 10ሕጂ ድማ ነቶም ደቂ ይሁዳን የሩሳሌምን ንኣኻትኩም ባሮትን ኣግራድን ክትገብርዎም ትሓስቡ ኣሎኹም። እምበኣርሲ ንስኻትኩም፡ እወ ባዕልኻትኩም ንእግዚኣብሄር ኣምላኽዶ ትብድሉ ኣየሎኹምን 11ሕጂ ኸኣ ስምዑኒ፡ ቁጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሌኹም ነዲዱ ኣሎ እሞ፡ ነዞም ካብ ኣሕዋትኩም ዝማረኽኩምዎም ምሩኻት ምለስዎም። 12ሽዑ ገለኻብቶም ሓላቑ ደቂ ኤፍሬም፡ ዓዛርያ ወዲ ዮሓናን በረክያ ወዲ መሺለሞትን ይሒዝቅያ ወዲ ሻሉምን ዓማሳ ወዲ ሓድላይን ኣብቶም ካብ ውግእ ዝመጹ ተንስኡ፡ 13በልዎም ድማ፡ በደልናስ ዓብዪ እዩ እሞ፡ ቁጥዓ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ነዲዱ ኣሎ። ንስኻትኩም ከኣ በዚ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሌና በደል ዝዀነና ጌርኩም፡ ሓጢኣትናን በደልናን ክትውስኹ ኢኹም እትሓስቡ ዘሎኹም እሞ፡ ነዞም ምሩኻት እዚኦም ናብዚ ኣይተእትውዎም።
14ሽዑ እቶም ሰብ ውግእ ነቶም ምሩኻትን ነቲ ምርኮን ኣብ ቅድሚ እቶም ሓላቑን ብዘላ ማሕበርን ሓደግዎም። 15እቶም ሕጂ እተሰምዩ ሰባት ከኣ ተንሲኦም ነቶም ምሩኻት ወሰድዎም፡ ንዂሎም ዕሩቓቶም ድማ ካብቲ ምርኮ ኣልዒሎም ከደንዎም። ምስ ከደንዎም ከኣ። ኣሳእን ሃብዎም፡ መብልዕን መስተን ሃብዎም ዘይቲውን ለኸይዎም፡ ንዂሎም ድኹማት ድማ ኣብ ኣእዱግ ኣስሪሮም፡ ናብ ያሪኮ፡ ናብታ ኸተማ ተምሪ፡ ናብ ኣሕዋቶም ኣብጽሕዎም። ናብ ሰማርያ ኸኣ ተመልሱ።
16በታ ግዜ እቲኣ ንጉስ ኣሃዝ ንነገስታት ኣሶር ክረድእዎ ለኣኸሎም። 17ኤዶማውያንሲ ኸም ብሓድሽ መጺኦም ንይሁዳ ሓደጋ ወዲቖም፡ ምሩኻት ወሰዱ። 18ፍልስጥኤማውያን ከኣ ኣብ ከተማታት ቈላ ይሁዳን ኣብ ደቡባን ኣትዮም ንቤት ሸመሽን ኣያሎንን ገደሮትን ንሶኮ ምስ ከተማታታን ንቲምና ምስ ከተማታታን ንጊምዞውን ምስ ከተማታታን ሓዝወን። ኣባታተን ድማ ተቐመጡ። 19እግዚኣብሄር ብሰሪ ኣሃዝ ንጉስ እስራኤል፡ ንሱ ንእግዚኣብሄር ኣዝዩ በዲሉ ንይሁዳ ስዲ ስለ ዝሓደጋ፡ ንይሁዳ ኣዋረዳ። 20ቲልጋት ጲልነሰር ንጉስ ኣሶር ግና ናብኡ መጸ፡ ንሱ ኣጽበበሉ ደኣ እምበር፡ ኣይደገፎን። 21ኣሃዝ ነታ ቤት እግዚኣብሄርን ቤተ ንጉስን ቤተ ሓላቑን ጐርጒሩ ንንጉስ ኣሶር ሃቦ፡ ግናኸ ገለ እኳ ኣይተረድኣሉን። 22እዚ ንጉስ ኣሃዝ በዚ ግዜ ጸበባኡ ድማ እናወሰኸ ንእግዚኣብሄር በደሎ። 23እቶም ኣማልኽቲ ነገስታት ሶርያ ንእኦም ዝሕግዝዎም ስለ ዝዀኑ፡ ኣነ ኸኣ፡ ምእንቲ ኽሕግዙኒ፡ ክስውኣሎም እየ፡ ኢሉ ነቶም ዝሰዓርዎ ኣማልኽቲ ደማስቆ ይስውኣሎም ነበረ። ግናኸ ንሳቶምስ ንእኡን ንብዘሎ እስራኤልን ደኣ ንውድቀት ኰንዎም። 24ኣሃዝ ድማ ነቲ ኣቓሑ ቤት ኣምላኽ ኣከቦ እሞ፡ ነቲ ኣቓሑ ቤት ኣምላኽውን ሰባበሮ፡ ነቲ ደጌታት ቤት እግዚኣብሄር ድማ ዓጸዎ። ኣብ ኲሉ መኣዝን የሩሳሌም ከኣ ንርእሱ መሰውኢታት ገበረ። 25ኣብ ብዘለዋ ኸተማታት ይሁዳውን ንኻልኦት ኣማልኽቲ፡ ኣብኡ ኽዓጥነሎም፡ በረኽቲ ገበረ እሞ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቱ ኣቘጥዖ።
26እቲ ዝተረፈ ግብሩን ኲሉ መገድታቱን ድማ፡ ቀዳሞትን ዳሕሮትን፡ እንሆ፡ ንሱ ኣብ መጽሓፍ ነገስታት ይሁዳን እስራኤልን ተጽሒፉ ኣሎ። 27ኣሃዝ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፡ ኣብታ ኸተማ፡ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ቀበርዎ፡ ግናኸ ናብቲ መቓብር ነገስታት እስራኤል ኣየእተውዎን። ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ህዝቅያስ ነገሰ።

        2ይ. ዜና  ምዕራፍ 29            

   1ህዝቅያስ ወዲ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ከሎ ነገሰ። ኣብ የሩሳሌም ድማ ዕስራን ትሽዓተን ዓመት ገዝአ፡ ስም ኣዲኡ ኸኣ ኣቢያ እዩ፡ ንሳ ጓል ዘካርያስ እያ። 2ከምቲ ኣቦኡ ዳዊት ዝገበሮ ዂሉ፡ ንሱ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ገበረ። 3ንሱ በታ መጀመርያ ዓመት መንግስቱ፡ በታ ቐዳመይቲ ወርሒ፡ ነተን ደጌታት ቤት እግዚኣብሄር ከፈተን ጸገነንውን። 4ነቶም ካህናትን ሌዋውያንን ኣምጺኡ ኸኣ፡ ኣብቲ ብወገን ምብራቕ ዘሎ ገፊሕ ኣደባባይ ኣከቦም፡ 5በሎም ድማ፡ ኣቱም ሌዋውያን፡ ስምዑኒ፡ ተቐደሱ፡ ነዛ ቤት እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትኩም ከኣ ቀድስዋ፡ ነቲ ርኽሰት ድማ ካብ መቕደስ ኣውጽእዎ። 6ኣቦታትና በደሉ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኽፉእ ዘበለ ገበሩ፡ ንእኡ ድማ ሓደግዎ፡ ገጾም ካብ ማሕደር እግዚኣብሄር ንንየው መለሱ፡ ዝባኖምውን መለሱሉ። 7መዓጹ እቲ ገበላ ድማ ዓጸዉ፡ መብራህትታትውን ኣጥፍኡ፡ ኣብ መቕደስ ንኣምላኽ እስራኤል ዕጣን ኣይዓጠኑን፡ ዝሓርር መስዋእቲ ኸኣ ኣየዕረጉሉን። 8ስለዚ ድማ ቁጥዓ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ይሁዳን የሩሳሌምን ኰይኑ ኣሎ እሞ፡ ከምዚ ንስኻትኩም በዒንትኹም እትርእይዎ ዘሎኹም፡ ንመሰክሕን ብመደነቕን ንመላገጽን ገበሮም። 9ስለዚ ኸኣ እንሆ፡ ኣቦታትና ብሴፍ ወደቑ፡ ኣወዳትናን ኣዋልድናን ኣንስትናን ድማ ተማሪኾም ኣለዉ። 10ሕጅስ እቲ ጕሁር ቁጥዓኡ ኻባና ምእንቲ ኽምለስ፡ ምስ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ኪዳን ክኣቱ ኣብ ልበይ ሓሳብ ኣሎኒ። 11ኣቱም ደቀየ፡ ንእኡ ኸተገልግሉ እሞ፡ ኣገልገልቱ ዄንኩም፡ ዕጣን ክትዓጥኑሉ፡ ኣብ ቅድሚኡ ደው ክትብሉ፡ እግዚኣብሄር ንኣኻትኩም ሓርዩ እዩ እሞ፡ ሕጅስ ሸለል ኣይትበሉ።
12ሽዑ እቶም ሌዋውያን ተንስኡ፡ ካብ ደቂ ቀሃታውያን፡ ማሓት ወዲ ኣማሳይን ዮኤል ወዲ ዓዛርያን፡ ካብ ደቂ መራሪ ድማ፡ ቂስ ወዲ ዓብድን ኣዛርያ ወዲ ዮሃለልኤልን፡ ካብ ጌርሾናውያን ከኣ፡ ዮኣሕ ወዲ ዚማን ዔደን ወዲ ዮኣሕን፡ 13ካብ ደቂ ኤሊጻፋን ድማ፡ ሺምሪን የዑኤልን፡ ካብ ደቂ ኣሳፍ ከኣ፡ ዘካርያስን ማታንያን፡ 14ካብ ደቂ ሄማን ደማ፡ የሒኤልን ሺምዒን፡ ካብ ደቂ የዱቱን ከኣ፡ ሸማዕያን ዑዚኤልን። 15ነሕዋቶም ኣኪቦም ድማ ተቐደሱ፡ ከምቲ ንጉስ ብቓል እግዚኣብሄር ዝኣዘዞም ከኣ ነቲ ቤት እግዚኣብሄር ከጽርይዋ ኣተዉ። 16እቶም ካህናት ድማ ነታ ውሻጠ ቤት እግዚኣብሄር ከጽርዩ ኣተዉ እሞ፡ ኣብ መቕደስ እግዚኣብሄር ንዝረኸብዎ ዂሉ ርኽሰት ናብቲ ኣጸድ ቤት እግዚኣብሄር ኣውጽእዎ። እቶም ሌዋውያን ከኣ ተቐቢሎም ናብ ግዳም ናብቲ ርባ ቄድሮን ኣውጽእዎ። 17በታ መጀመርያ ወርሒ እሞ በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ክቕድሱ ጀመሩ፡ ነታ ወርሒ እቲኣ ድማ ኣብ ሳምነይቲ መዓልቲ ናብ ገበላ እግዚኣብሄር መጹ፡ ብሾሞንተ መዓልቲ ኸኣ ነታ ቤት እግዚኣብሄር ቀደስዋ፡ ነታ መጀመርያ ወርሒ ኣብ መበል ዓሰርተው ሹድሽተ መዓልታ ድማ ወድእዎ። 18ሽዑ ንሳቶም ናብ ንጉስ ህዝቅያስ ኣትዮም በልዎ፡ ንብዘላ ቤት እግዚኣብሄር መሰውኢ ምሕራርን ኲሉ ኣቓሑኡን፡ ነቲ ሰደቓ እንጌራ ምርኣይን ኲሉ ኣቓሑኡን፡ ኣጽሪናዮ ኣሎና። 19ነቲ ንጉስ ኣሃዝ ክገዝእ ከሎ፡ ብምብዳሉ ዝደርበዮ ዂሉ ኣቓሑ ኸኣ ኣዳሊናዮን ቀዲስናዮን፡ እንሆ ድማ፡ ኣብ ቅድሚ መሰውኢ እግዚኣብሄር ኣሎ። 20ሽዑ ንጉስ ህዝቅያስ ኣንጊሁ ተንስአ፡ ንሓላቑ እታ ኸተማ ኸኣ ኣከቦም፡ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ድማ ደየበ። 21ምእንቲ መንግስትን ምእንቲ እቲ መቕደስን ምእንቲ ይሁዳን ድማ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ዝዀኑ ሾብዓተ ብዕራይን ሾብዓተ ድዑልን ሾብዓተ ገንሸልን ሾብዓተ ዲበላን ኣቕረቡ። ኣብቲ መሰውኢ እግዚኣብሄር ክስውእዎም ከኣ፡ ነቶም ካህናት ደቂ ኣሮን ኣዘዞም። 22ሽዑ ነቶም ኣብዑር ሓረድዎም፡ ካህናት ድማ ነቲ ደም ተቐቢሎም ናብቲ መሰውኢ ነጸግዎ፡ ነቶም ደዓውልውን ሓሪዶም ነቲ ደም ናብ መሰውኢ ነጸግዎ። ነቶም ገናሽል ከኣ ሓሪዶም፡ ነቲ ደም ናብ መሰውኢ ነጸግዎ። 23ነቶም ዲበላታት መስዋእቲ ሓጢኣት ድማ ናብ ቅድሚ ንጉስን ማሕበርን ኣቕረብዎም፡ ኣእዳዎም ከኣ ኣብ ልዕሊኦም ኣንበሩ። 24እቲ ንጉስሲ እቲ ዝሓርር መስዋእትን መስዋእቲ ሓጢኣትን ምእንቲ ብዘሎ እስራኤል ክግበር ኣዚዙ ነበረ እሞ፡ እቶም ካህናት ሓረድዎም፡ በቲ ደሞም ከኣ ንብዘሎ እስራኤል ንመተዓረቒ ዝኸውን መስዋእቲ ሓጢኣት ኣብቲ መሰውኢ ሰውኡ።
25እቲ ትእዛዝሲ ብነብያቱ ኻብ እግዚኣብሄር እዩ ዝነበረ እሞ፡ ከም ትእዛዝ ዳዊትን ጋድ እቲ ናይ ንጉስ ረኣይን ነብዪ ናታንን፡ ነቶም ሌዋውያን ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ምስ ጸናጽልን ምስ መሰንቆታትን ምስ በገናታትን ኣቘሞም። 26ሌዋውያን ከኣ ምስቲ ናይ ዳዊት መሳርያ ሙዚክ ካህናትውን ምስ መለኸታት ቈይሞም ነበሩ። 27ህዝቅያስ ድማ እቲ ዝሓርር መስዋእቲ ኣብ መሰውኢ ኽስዋእ ኣዘዘ። እቲ ዝሓርር መስዋእቲ ኽጅመር ከሎ ኸኣ፡ መዝሙር እግዚኣብሄርን መለኸታትን ብሓንሳእ ምስቲ ናይ ዳዊት ንጉስ እስራኤል መሳርያ ሙዚክ ጀመረ። 28ብዘሎ እቲ ማሕበር ከኣ ይሰግድ ነበረ፡ እቶም ዘመርቲ ድማ ይዝምሩ ነበሩ፡ መለኸታትውን ተነፍሐ፡ እዚ ዂሉ ድማ እቲ ዝሓርር መስዋእቲ ኽሳዕ ዝፍጸም ኰነ። 29ነቲ ዝሓርር መስዋእቲ ምስ ፈጸምዎ ኸኣ፡ እቲ ንጉስን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ዂሎምን ፍግም ኢሎም ሰገዱ። 30ንጉስ ህዝቅያስን እቶም ሓላቑን ድማ ነቶም ሌዋውያን ብቓል ዳዊትን ኣሳፍ እቲ ረኣይን ንእግዚኣብሄር ምስጋና ኽዝምሩ ኣዘዝዎም። ተሓጒሶም ከኣ ምስጋና ዘመሩ፡ ፍግም ኢሎምውን ሰገዱ።
31ህዝቅያስ ድማ፡ ሕጂ ኣእዳውኩም ንእግዚኣብሄር መሊእኩም ኢኹም እሞ፡ ቅረቡ፡ መስዋእቲ ሕሩድን መስዋእቲ ምስጋናን ከኣ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣእትዉ፡ ኢሉ መለሰ። እቲ ማሕበር ከኣ መስዋእቲ ሕሩድን መስዋእቲ ምስጋናን ኣምጽአ፡ ፍቶት ልቢ ዘለዎ ዂሉ ድማ ዝሓርር መስዋእቲ ኣቕረበ። 32ቁጽሪ እቲ ማሕበር ዘምጽኦ ዝሓርር መስዋእቲ ኸኣ ሰብዓ ብዕራይ፡ ሚእቲ ድዑል፡ ክልተ ሚእቲ ገንሸል እዩ፡ እዚ ዂሉ ንእግዚኣብሄር ዝሓርር መስዋእቲ እዩ ዝነበረ። 33እቲ ዝቐደስዎ ነገር ድማ ሹድሽተ ሚእቲ ብዕራይን ሰለስተ ሽሕ ኣባጊዕን እዮም። 34እቶም ካህናት ግና ውሒዶም ነበሩ እሞ ንዂሎም እቶም መስዋእቲ ምሕራር ምቕላጦም ኣይከኣሉን፡ ስለዚ ኸኣ እዚ ዕዮዚ ኽሳዕ ዝውዳእ፡ እቶም ካህናትውን ክሳዕ ዝቕደሱ፡ ኣሕዋቶም ሌዋውያን ሓገዝዎም። ከመይሲ እቶም ሌዋውያን ካብቶም ካህናት ዝበልጹ ንምቕዳስ ዝኸውን ቅኑዕ ልቢ ነበሮም። 35ምስቲ ስብሒ መስዋእቲ ምስጋናን ምስቲ ንዝሓርር መስዋእቲ ኢሉ እተቐረበ መስዋእቲ መስተን ድማ እቲ ዝሓርር መስዋእቲ ብዙሕ ነበረ። እቲ ኣገልግሎት ቤት እግዚኣብሄር ከምዚ ኢሉ ተሰርዐ። 36እቲ ነገር ብሃንደበት እዩ ዝዀነ እሞ፡ ህዝቅያስን ብዘሎ እቲ ህዝብን ከኣ ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ንህዝቢ ዘዳለወሉ ተሓጐሱ።

        2ይ. ዜና  ምዕራፍ 30            

   1ህዝቅያስ ድማ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ናብ የሩሳሌም ክመጹ እሞ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ፋስጋ ኸብዕሉ ኢሉ፡ ናብ ብዘሎ እስራኤልን ይሁዳን ለኣኸ፡ ናብ ኤፍሬምን ምናሴን ከኣ ደብዳበ ጸሓፈ። 2-3ግናኸ እቶም ካህናት ዝኣኽሉ ዀይኖም ስለ ዘይተቐደሱን፡ እቲ ህዝቢውን ኣብ የሩሳሌም ስለ ዘይተኣከበን፡ በቲ ግዜኡ ፋስጋ ኸብዕሉ ኣይከኣሉን እሞ፡ እቲ ንጉስ ሓላቑኡን ብዘላ ማሕበር የሩሳሌምን ኣብታ ኻልኣይቲ ወርሒ ኽበዓል ተማኺሮም ነበሩ። 4እዚ ነገር እዚ ንንጉስን ንብዘላ እታ ማሕበርን ቅኑዕ ኰይኑ ተራእዮም። 5ከምቲ ጽሑፍ ገይሮም ካብ ነዊሕ ዘመን ኣየብዓልዎን እሞ መጺኦም ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ኣብ የሩሳሌም ፋስጋ ኸብዕሉ ኢሎም፡ ካብ ብኤር ሸባዕ ክሳዕ ዳን ኣብ ብዘሎ እስራኤል ኣዋጅ ክእወጅ መደቡ።
6እቶም ልኡኻት ድማ ደብዳቤታት ንጉስን ሓላቑኡን ሒዞም ናብ ብዘሎ እስራኤልን ይሁዳን ከዱ እሞ፡ ከምቲ ትእዛዝ ንጉስ ከምዚ ኢሎም ነገሩ፡ ኣቱም ደቂ እስራኤል፡ ካብ ኢድ ነገስታት ኣሶር ዝመለቑኩም ተረፍ፡ ምእንቲ ኽምለሰኩም ናብ እግዚኣብሄር፡ ኣምላኽ ኣብርሃምን ይስሃቅን እስራኤልን፡ ተመለሱ። 7ከምቶም ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም ዝበደሉ ኣቦታትኩምን ኣሕዋትኩምን ኣይትኹኑ፡ ንሱ ኸኣ፡ ከምዚ እትርእይዎ ዘሎኹም፡ ኣባደሞም፡ 8ሕጅስ ከምቶም ኣቦታትኩም ተረርቲ ኽሳድ ኣይትኹኑ፡ ኢድኩም ደኣ ንእግዚኣብሄር ሃቡ፡ ናብቲ ንዘለኣለም ዝቐደሶ መቕደሱ ምጹ፡ እቲ ነዲ ቑጥዓኡ ኻባኻትኩም ምእንቲ ኽምለስ ከኣ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣገልግልዎ። 9ናብ እግዚኣብሄር እንተ ተመለስኩምሲ፡ እቶም ኣሕዋትኩምን ደቅኹምን ከኣ ኣብ ቅድሚ እቶም ማሪኾምዎም ዘለዉ ምሕረት ክረኽቡ፡ ናብዛ ሃገር እዚኣውን ክምለሱ እዮም፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ርሕሩሕን መሓርን እዩ እሞ፡ ናብኡ እንተ ተመለስኩም፡ ንሱ ድማ ገጹ ኻባኻትኩም ኣይክመልሶን እዩ። 10እቶም ልኡኻት ከኣ ካብ ከተማ ናብ ከተማ ብሃገር ኤፍሬምን ምናሴን ክሳዕ ዛብሎን ሓለፉ። ግናኸ ሰሓቑሎምን ኣላገጹሎምን። 11ካብ ኣሴርን ምናሴን ካብ ዛብሎንን ግና ሓያሎ ሰባት ርእሶም ኣትሒቶም ናብ የሩሳሌም መጹ። 12እቲ ብቓል እግዚኣብሄር ዝኾነ ትእዛዝ ንጉስን ሓላቑን ክገብሩስ፡ ሓደ ልቢ ኽህቦም፡ ኣብ ይሁዳ ድማ ኢድ ኣምላኽ ኰነ።
13ኣብታ ኻልኣይቲ ወርሒ ኸኣ በዓል ቅጫ ኸብዕሉ፡ ብዙሓት ህዝቢ፡ ኣዝዮም ዓብዪ ማሕበር፡ ኣብ የሩሳሌም ተኣከበ። 14ተንሲኦም ከኣ ኣብ የሩሳሌም ንዝነበሩ መሰውኢታት ኣርሓቑ፡ ንዂሉ መሰውኢታት ዕጣን ድማ ወሲዶም ኣብ ርባ ቄድሮን ደርበይዎ። 15ኣብታ ኻልኣይቲ ወርሒ ብመበል ዓሰርተው ኣርባዕተ መዓልቲ ኸኣ ፋስጋ ሓረዱ። እቶም ካህናትን ሌዋውያንን ድማ ሓፈሩ፡ ተቐዲሶም ከኣ ዝሓርር መስዋእቲ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣምጽኡ። 16ከምቲ ሕጊ ሙሴ፡ እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ኣብ በቦታኦም ደው በሉ፡ እቶም ካህናት ካብ ኢድ ሌዋውያን ተቐቢሎም ነቲ ደም ይነጽጉ ነበሩ። 17ኣብታ ማሕበርሲ ብዙሓት ዘይተቐደሱ ነበሩ እሞ፡ እቶም ሌዋውያን ምእንቲ እቶም ዘይነጽሁ ዂሎም ፋስጋ ሓሪዶም ንእግዚኣብሄር ቀደስዎም። 18-19ካብቲ ህዝቢ ብዙሓት፡ ካብ ኤፍሬምን ምናሴን ይሳኮርን ዛብሎንን ብዙሓት ሰብ፡ ከምቲ ጽሑፍ ዘይኰነ ደኣ ፋስጋ በልዑ እምበር፡ ኣይነጽሁን። ህዝቅያስ ግና፡ እቲ ሕያዋይ እግዚኣብሄር ነቲ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ እቲ ኣምላኽ ኣቦታቱ፡ ክደልዮም ልቡ ዘቕንዐ ዘበለ ዂሉ፡ ንሱ ኸምቲ ምንጻህ መቕደስ እኳ እንተ ዘይነጽሀ፡ ይቕረ ደኣ ይበለሉ፡ ኢሉ ምእንታኦም ለመነ። 20እግዚኣብሄር ከኣ ንህዝቅያስ ሰሚዑ፡ ነቲ ህዝቢ ኣሕወዮ። 21እቶም ኣብ የሩሳሌም እተረኽቡ ደቂ እስራኤል ከኣ ብዓብዪ ሓጐስ ሾብዓተ መዓልቲ በዓል ቅጫ ኣብዓሉ። ሌዋውያንን ካህናትን ድማ ንእግዚኣብሄር መዓልቲ ንመዓልቲ ብመሳርያ ሙዚክ ንእግዚኣብሄር ምስጋና ዘመሩ። 22ህዝቅያስ ድማ ንልቢ እቶም ኣብ ኣገልግሎት እግዚኣብሄር ኣጸቢቖም ዘስተውዑሉ ዝነበሩ ዂሎም ሌዋውያን ጥዑም ተዛረቦም። በቲ በዓል፡ በተን ሾብዓተ መዓልቲ እቲኣተን፡ ከኣ መስዋእቲ ምስጋና እናዕረጉን ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም እናመስገኑን ይበልዑ ነበሩ። 23ብዘለዉ እቶም ማሕበር ድማ ካልኦት ሾብዓተ መዓልቲ ኸብዕሉ ኣስመሩ፡ ካልኦት ሾብዓተ መዓልቲውን ብሓጐስ ኣብዓሉ። 24ህዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ ነቲ ማሕበር ንምስዋእ ሽሕ ብዕራይን ሾብዓተ ሽሕ በጊዕን ኣምሃ ሃበ። እቶም ሓላቑ ድማ ንማሕበር ሽሕ ብዕራይን ዓሰርተ ሽሕ በጊዕን ኣምሃ ሃቡ። ብዙሓት ካህናት ከኣ ተቐደሱ። 25ብዘሎ ማሕበር ይሁዳ ድማ ምስናይ ካህናትን ሌዋውያንን ብዘሎ እቲ ኻብ እስራኤል ዝመጸ ማሕበርን እቶም ወሰንተኛታት ካብ ምድሪ እስራኤል ዝመጹን ኣብ ይሁዳ ዝቕመጡ ዝነበሩን ተሓጐሱ። 26ካብ ዘመን ሰሎሞን፡ ንጉስ እስራኤል ወዲ ዳዊት፡ ከምዚ ዝበለ ኣብ የሩሳሌም ኣይተገብረን እሞ፡ ኣብ የሩሳሌም ዓብዪ ሓጐስ ኰነ። 27እቶም ሌዋውያን ካህናት ከኣ ተንሲኦም ነቲ ህዝቢ ባረኽዎ፡ ድምጾም ድማ ተሰምዐ፡ ጸሎቶምውን ኣብ ሰማይ፡ ኣብታ ቅድስቲ ማሕደሩ፡ ኣተወ።

        2ይ. ዜና  ምዕራፍ 31            

   1እዚ ዂሉ ምስ ተፈጸመ ኸኣ፡ ኣብኡ እተረኽበ ዘበለ ብዘለዉ እስራኤል ናብ ከተማታት ይሁዳ ወጹ እሞ ነቲ ኣዕኑድ ሰበርዎ፡ ንኣስታርቴታት ድማ ቈራረጽዎ፡ ካብ ብዘሎ ይሁዳን ብንያምን ኤፍሬምን ምናሴን ከኣ በረኽትን መሰውኢታትን ክሳዕ ዝጥርሱ፡ ኣፍረስዎም። ኲሎም ደቂ እስራኤል ድማ፡ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ርስቱ፡ ናብ ከተማታቶም ተመልሱ።
2ህዝቅያስ ድማ ነቶም ክፍልታት ካህናትን ሌዋውያንን ኣብ ከክፍሎም ክዀኑ መደቦም፡ እቶም ካህናትን ሌዋውያንን ከኣ ነፍሲ ወከፍ ከከም ምግልጋሉ ዝሓርር መስዋእትን መስዋእቲ ምስጋናን ከዕርጉን ከገልግሉን ኣብተን ደጌታት ሰፈር እግዚኣብሄር ክውድሱን ከመስግኑን ሰርዖም። 3እቲ ንጉስ ድማ ንዝሓርር መስዋእቲ፡ ከምቲ ኣብ ሕጊ እግዚኣብሄር ጽሑፍ ዘሎ፡ ነቲ ንግሆን ምሸትን ዝሓርር መስዋእትን ነቲ ኣብ ሰናብትን ኣብ ሰርቂ ወርሕን ኣብ ምዱባት በዓላትን ዝሓርር መስዋእትን ዝኸውን ካብ ገንዘቡ ሃበ። 4ነቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነብሩ ህዝቢ ድማ፡ ነቶም ካህናትን ሌዋውያንን፡ ንሳቶም ኣብቲ ሕጊ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽጸንዑ፡ ግዲኦም ክህብዎም ኣዘዞም። 5እዚ ትእዛዝ እዚ ምስ ወጸ ድማ፡ ደቂ እስራኤል ካብ እኽልን ካብ ወይንን ዘይትን መዓርን ካብ ኲሉ እቶም ግራሁን በዂራት ኣብዚሖም ሃቡ፡ ናይ ኲሉ ኣስራትውን ኣብዚሖም ኣእተዉ። 6እቶም ኣብ ከተማታት ይሁዳ ዝነብሩ ደቂ እስራኤልን ይሁዳን ከኣ ካብ ኣብዑርን ኣባጊዕን ኣስራት፡ ካብቲ ንእግዚኣብሄር ኣምላኾም ኢሎም ዝቐደስዎ ቅዱሳት ነገር ድማ ኣስራት ኣምጽኡ፡ ኲምራታት ከኣ ገበርዎ። 7ኣብ ሳልሰይቲ ወርሒ ክዂምሩ ጀመሩ፡ በታ ሳብዐይቲ ወርሒ ድማ ወድእዎ። 8ህዝቅያስን እቶም ሓላቑን መጺኦም ነቲ ዂምራታት ምስ ረኣይዎ ኸኣ፡ ንእግዚኣብሄር ንህዝቡ እስራኤልን ባረኹ። 9ህዝቅያስ ድማ ነቶም ካህናትን ሌዋውያንን ብዛዕባ እቲ ዂምራታታ ሓተቶም። 10ሽዑ እቲ ኻብ ማይ ቤት ጻዶቅ ዝነበረ ሊቀ ኻህናት ኣዛርያ ኸምዚ ኢሉ መለሰሉ፡ እቲ መባእ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ምእታው ካብ ዝጅምር ሒዝና ኽሳዕ እንጸግብ ንበልዕ ነበርና፡ ብዙሕ ከኣ ኣትረፍና። እግዚኣብሄር ንህዝቡ ባሪኽዎ እዩ እሞ፡ እቲ ተሪፉ ዘሎ እዚ ድልቢ እዚ እዩ።
11ህዝቅያስ ድማ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ማዕከን ክዳሎ ኣዘዘ፡ ኣዳለዉ ኸኣ። 12መባእን ኣስራትን እቲ እተቐደሰ ነገርን ከኣ ተኣሚኖም ናብኡ ኣእተዉ። ኣብ ልዕሊ እዚ ነገር እዚ ድማ ኮናንያ ሌዋዊ ተሸይምዎ ነበረ፡ ካልኣይ ከኣ ሓዉ ሺምዒ። 13ብትእዛዝ ንጉስ ህዝቅያስን ኣዛርያ መስፍን ቤት ኣምላኽን ድማ የሒኤልን ኣዛዝያን ናሓትን ዓሳሄልን የሪሞትን ዮዛባድን ኤሊኤልን ይስማክያን ማሓትን ባናያን ኣብ ትሕቲ ኢድ ኮናንያን ሺምዒ ሓዉን ሓለውቲ ነበሩ። 14ቆሬ ወዲ ይምና ሌዋዊ፡ ሓላዊ እታ ምብራቓዊት ደገ ኸኣ ነቲ መባእ እግዚኣብሄርን ነቲ ቅዱስ ቅዱሳን ነገርን ክዕድሎ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ብፍታው ንኣምላኽ እተሰውአ መባእ ዋና ዀነ። 15ኣብ ትሕቲ ኢዱ ድማ፡ ነቶም ኣሕዋቶም ከከምቲ ኽፍሎም ንዓብይን ንንኡስን ክዕድሉሎም፡ ዔዴንን ሚንያሚንን የሹዓን ሸማዕያን ኣማርያን ሸካንያን ብእምነት ኣብ ከተማታት ካህናት ተሸይሞም ነበሩ። 16ኣብ ርእሲ እዚውን ነቶም ኣብ መጽሓፍ ወለዶ እተጻሕፋ ኣወዳት ካብ ወዲ ሰለስተ ዓመት ንላዕሊ ዘለዉ፡ እቶም ከከም ክፍሎም ከከም ኣገልግሎቶም ነቲ ነናይ መዓልቲ ዘድሊ ነገር ክገብሩ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ዝኣትዉ ዘበሉ ዂሎም፡ 17ከምኡ ድማ ነቶም በብማይ ቤት ኣቦታቶም እተጻሕፈ ኻህናት፡ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ዘለዉ፡ ኣብ ከክፍሎም ከከም ኣገልግሎቶም እተጻሕፉ ሌዋውያን፡ 18ኣብቲ እተመዘዝዎ መዞም ደማ ርእሶም ብእምነት ቀደሱ እሞ፡ ነቶም እተጻሕፉ ዂሎም ሕጻናቶምን ኣንስቶምን ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን፡ ብዘለዉ ናይታ ማሕበር፡ 19ነቶም ኣብ ከከባቢ ኸተማታቶም ዘሎ ግራሁ ዝነበሩ ኻህናት ደቂ ኣሮን ድማ፡ ካብ ካህናት ተባዕታይ ንዘበለን ካብ ሌዋውያን ንተጻሕፈ ዘበሉ ዂሎምን ገግዲኦም ክህብዎም፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ከተማ በብስሞም እተመደቡ ሰባት ነበሩ። 20ህዝቅያስ ከኣ ኣብ ብዘሎ ይሁዳ ኸምኡ ገበረ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ጽቡቕን ቅኑዕን ሓቅን ገበረ። 21ብኣገልግሎት ቤት ኣምላኽን ብሕግን ብትእዛዝን ድማ ንኣምላኹ ደልዩ ዝጀመሮ ዂሉ ዕዮ፡ ብምሉእ ልቡ ገበሮ እሞ፡ ሰለጠሉ።

        2ይ. ዜና  ምዕራፍ 32            

   1ድሕሪ እዚ ነገር እዝን እዛ እምነት እዚኣን ሰናክሬብ ንጉስ ኣሶር መጺኡ ናብ ይሁዳ ኣተወ፡ ኣብ ቅድሚ እተን እተዓርዳ ኸተማታት ሰፊሩ ድማ፡ ንርእሱ ኽሕዘን ሓሰበ። 2ህዝቅያስ ከኣ ሰናክሬብ ከም ዝመጸን ንየሩሳሌም ክዋግኣ ኸም ዝሓሰበን ምስ ረኣየ፡ 3እቲ ኣብ ወጻኢ ኸተማ ዘሎ ማያት ኣብ ዓዓይኑ ኽድፈን፡ ምስቶም መኳንንቱን ጀጋኑኡን ተማኸረ እሞ፡ ንሳቶም ድማ ሓገዝዎ። 4ብዙሓት ሰብ ተኣኪቦም ከኣ፡ ስለምንታይ እቶም ነገስታት ኣሶር መጺኦም ብዙሕ ማይ ዝረኽቡ ኢሎም ንዂሉ ዓይኒ ማያትን ነቲ ብማእከል እታ ሃገር ዝውሕዝ ርባን ዓጸውዎ። 5ተቢዑ ድማ ንብዘሎ እቲ ፈሪሱ ዝነበር መንደቕ ነደቖ፡ ነቲ ግምብታት ከኣ ኣንውሖ፡ ኣብ ወጻኢኡ ድማ ካልኣይ መንደቕ ነደቐ። ንሚሎ ኸተማ ዳዊት ከኣ ኣጽንዓ፡ ብዙሕ መሳርያታትን ዋላቱን ድማ ገበረ። 6ኣብ ልዕሊ እቲ ህዝቢ ድማ ሓላቑ ውግእ ሾመ፡ ናብታ ኣብ ኸተማ ዘላ ገፋሕ ስፍራ ኸኣ ናብኡ ኣከቦም እሞ፡ ከምዚ ኢሉ ንልቦም ተዛረቦ፡ 7ጽንዑን ትብዑን፡ ካብቲ ምስኡ ዘሎስ እዚ ምሳና ዘሎ ይዓቢ እዩ እሞ፡ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ኣሶርን ኣብ ቅድሚ ዂሉ እቲ ምሰኡ ዘሎ ጭፍራን ኣይትፍርሁን ኣይትሸበሩን። 8እቲ ምስኡ ዘሎ ቕልጽም ስጋ እዩ፡ እቲ ኽረድኣና ውግእና ኽዋግኣልና ምሳና ዘሎ ግና እግዚኣብሄር ኣምላኽና እዩ። እቲ ህዝቢ ድማ በቲ ዘረባ ህዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ ሃድአ።
9ድሕርዚ ሰናክሬብ ንጉስ ኣሶር፡— ንሱን ብዘሎ ሰራዊቱ ኸኣ ምስኡን ፡ኣብ ቅድሚ ላኪሽ ሰፊሩ ኸሎ፡— ገላዉኡ ናብ የሩሳሌም ናብ ህዝቅያስ ንጉስ ይሁዳን ናብቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ዂሎም ሰብ ይሁዳን ሰደደ እሞ በለ፡ 10ሰናክሬብ እቲ ንጉስ ኣሶር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኣብዛ ኽብብቲ የሩሳሌም ተቐሚጥኩም ዘሎኹምሲ፡ ንመን ኣሚንኩም ኢኹም፡ 11ብጥሜትን ብጽምኣትን ክትሞቱስ፡ ህዝቅያስዶ ኣይኰነን፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኻብ ኢድ ንጉስ ኣሶር ከናግፈና እዩ፡ እናበለ ዘስሕተኩም ዘሎ፡ 12እቲ ንበረኽቱን ንመሰውኢታቱን ኣግሊሱ ንይሁዳን ንየሩሳሌምን፡ ኣብ ቅድሚ ሓደ መሰውኢ ስገዱ፡ ኣብ ልዕሊኡ ድማ ዕጠኑ፡ ዝበለስ፡ እዚ ህዝቅያስ እዚዶ ኣይኰነን 13ኣነን ኣቦታተይን ንዂሎም ህዝብታት ሃገራት ዝገበርናዮምዶ ኣይፈለጥኩምን ኣማልኽቲ ኣህዛብ እተን ሃገራት እቲኤንከ ንሃገሮም ካብ ኢደይዶ ኸናግፍወን ክኢሎም እዮም 14ካብቶም ኣማልኽቲ ናይዞም ኣቦታተይ ዘጥፍእዎም ኣህዛብ እዚኦምሲ ንህዝቡ ኻብ ኢደይ ከናግፎ ዝኸኣለ መን እዩ 15እምበኣርሲ ህዝቅያስ ኣይጠብርኩምን በዚ ነገር እዚ ኣይሓባብልኩምን፡ ኣይትእመንዎ ኸኣ። ከመይሲ ናይ ዝዀነ ይኹን ህዝብን መንግስትን ኣምላኽ ዘበለ ንህዝቡ ኻብ ኢደይ ወይስ ካብ ኢድ ኣቦታተይ ከናግፎ ዝኽኣለ መን እዩ ኣምላኽኩም ግዳ ኸመይ ገይሩ እዩ ኻብ ኢደይ ዘናግፈኩም 16እቶም ገላዉኡ ድማ ወሲኾም ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄር ኣምላኽን ኣብ ልዕሊ ባርያኡ ህዝቅያስን ተዛረቡ። 17ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤልክጸርፎ ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ክዛረብሲ፡ ከምቲ ኣማልኽቲ ኣህዛብ ሃገራት ንህዝቦም ካብ ኢደይ ዘየድሓንዎም፡ ከምኡ ድማ ኣምላኽ ህዝቅያስ ንህዝቡ ኻብ ኢደይ ኣይከድሕኖምን እዩ ኢሉ ደብዳበ ጸሓፈ። 18ነታ ኸተማ ምእንቲ ኽሕዝዋ ድማ፡ ነቶም ኣብ ልዕሊ መንደቕ ዝነበሩ ህዝቢ የሩሳሌም ከፍርህዎምን ከሸብርዎምንሲ ዓው ኢሎም ብቛንቋ ኣይሁድ ተዛረብዎም። 19ብዛዕባ ኣምላኽ የሩሳሌም ድማ፡ ከምቲ ብዛዕባ እቶም ስራሕ ኢድ ሰብ ዝዀኑ ኣማልኽቲ ኣህዛብ ምድሪ፡ ገይሮም ይዛረቡ ነበሩ። 20ንጉስ ህዝቅያስን ነብዪ ኢሳይያስ ወዲ ኣሞጽን ግና ብዛዕባ እዚ ነገር እዚ ጸለዩ፡ ናብ ሰማይውን ተማህለሉ። 21እግዚኣብሄር ድማ ሓደ መልኣኽ ሰደደ፡ ንሱ ኸኣ ነቶም ኣብ ሰፈር ንጉስ ኣሶር ዝነበሩ ዂሎም ሓያላት ጀጋኑን መሳፍንትን ሓላቑን ኣጥፍኦም፡ ንሱ ኸኣ ገጹ ሓፊሩ ናብ ሃገሩ ተመልሰ። ናብ ቤት ኣምላኽሪ ምስ ኣተወ ድማ፡ እቶም ካብ ከርሱ ዝወጹ ኣብኡ ብሴፍ ቀተልዎ። 22እግዚኣብሄር ድማ ንህዝቅያስን ነቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነብሩን ካብ ኢድ ሰናክሬብ ንጉስ ኣሶርን ካብ ኢድ ኲሎም ካልኦት ኣድሓኖም፡ ብዂሉ ወገን ድማ ሓለዎም። 23ብዙሓት ከኣ ንእግዚኣብሄር ናብ የሩሳሌም መባእ፡ ክቡር ነገራት ከኣ ንህዝቅያስ ንጉስ ይሁዳ ኣምጽኡ። ድሕሪ እዚ ድማ ንሱ ኣብ ኣዒንቲ ዂሎም ኣህዛብ ልዑል ኰይኑ ተራእየ።
24በቲ ግዜ እቲ ህዝቅያስ ናብ ሞት ክሳዕ ዝቐርብ ሓመመ እሞ ንእግዚኣብሄር ለመነ፡ ንሱ ኸኣ ተዛረቦ፡ ምልክትውን ሃቦ። 25ግናኸ ህዝቅያስ፡ ልቡ ደኣ ተዓበየ እምበር፡ ነቲ ዝረኸቦ ኬርነትሲ ውሬታ ኣይመለሰሉን፡ ስለዚ ኣብ ልዕሊኡን ኣብ ልዕሊ ይሁዳን የሩሳሌምን ቁጥዓ ዀነ። 26ህዝቅያስ ግና ልቡ ብምዕባዩ ምስቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ርእሱ ኣትሓተ፡ ስለዚ ኸኣ እቲ ቑጥዓ እግዚኣብሄር ብዘመን ህዝቅያስ ኣብ ልዕሊኦም ኣይመጸን።
27ህዝቅያስ ድማ ኣዝዩ ብዙሕ ሃብትን ክብረትን ነበሮ እሞ፡ ንብሩርን ንወርቅን ንኽቡር ኣእማንን ንቐመማትን ንዋላቱን ንዂሉ ዓይነት ክቡር ኣቓሑን ቤት መዛግብቲ ገበረ። 28ንእቶም እኽልን ወይንን ዘይትን ድማ ሪቕ፡ ንዂሉ ዓይነት እንስሳ ኸኣ ጋጻት ሰርሐ፡ መጓሴታትውን ኣብ ደምቤታቱ ነበራኦ። 29ኣምላኽ ኣዝዩ ብዙሕ ሃብቲ ሂብዎ ነበረ እሞ፡ ከተማታት ሰርሐ፡ ብዙሓት ከብትን ኣባጊዕን ድማ ኣጥረየ። 30ነቲ ላዕላይ ዓይኒ ማይ ጊሆን ዓቢሱስ፡ ናብ ምዕራብ ከተማ ዳዊት ኣቢሉ ዘውሓዞ ኸኣ እዚ ህዝቅያስ እዚ እዩ። ህዝቅያስ ድማ ኲሉ ግብሩ ሰለጠሉ። 31ምስናይዚ ግና እቶም ብዛዕባ እቲ ኣብታ ሃገር እተገብረ ተኣምራት ክጥይቑ ናብኡ እተላእኩ ልኡኻት መሳፍንቲ ባቢሎን ምስ መጹ፡ ኣምላኽ ነቲ ኣብ ልቡ ዝነበረ ዘበለ ዂሉ ምእንቲ ኽፈልጦስ፡ ክፍትኖ ኢሉ ሓደጎ።
32እቲ ዝተረፈ ናይ ህዝቅያስ ነገርን ናይ ለውሃት ተግባሩን እንሆ፡ ንሱ ኣብቲ ራእይ ነብዪ ኢሳይያስ ወዲ ኣሞጽ ኣብ መጽሓፍ ነገስታት ይሁዳን እስራኤልን ተጽሒፉ ኣሎ። 33ህዝቅያስ ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፡ ኣብታ ናብ መቓብራት ደቂ ዳዊት እተደይብ ቦታ ኸኣ ቀበርዎ። ብዘላ ይሁዳን እቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩን ድማ ብሞቱ ኣኽበርዎ ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ምናሴ ነገሰ።

        2ይ. ዜና  ምዕራፍ 33            

   1ምናሴ ኽነግስ ከሎ፡ ወዲ ዓሰርተው ክልተ ዓመት ነበረ፡ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ሓምሳን ሓሙሽተን ዓመት ገዝአ። 2ንሱ ኸኣ፡ ከምቲ ናይቶም እግዚኣብሄር ካብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ዝሰጐጎም ኣህዛብ ዝበለ ጽያፍ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ። 3ንሱ ድማ ነቲ ኣቦኡ ህዝቅያስ ዘፍረሶ በረኽቲ መሊሱ ሰርሖ፡ ንበዓላት ከኣ መሰውኢታት ኣቘመ፡ ኣስታርቴታትውን ገበረ፡ ንብዘለዉ ሰራውቲ ሰማይ ሰገደሎምን ኣገልገሎምን። 4ኣብታ እግዚኣብሄር ብዛዕባኣ፡ ስመይ ኣብ የሩሳሌም ንዘለኣለም ክነብር እዩ፡ ዝበለላ፡ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር እኳ መሰውኢታት ሰርሐ። 5ንብዘለዉ ሰራዊት ሰማይ ድማ ኣብ ክልቲኡ ኣጸድ ቤት እግዚኣብሄር መሰውኢታት ሰርሓሎም። 6ንሱ ኣብ ወዲ ሂኖም ንደቁ ብሓዊ ኣሕለፎም፡ ብደበና ብተመን ገይሩ ድማ ይፈልጥ ነበረ፡ ኣስማት ይገብርን ይጥንቁልን ነበረ፡ መንፈስ ጠንቈላ ዘለዎምን መውደቕቲ ዛዕጐልን ድማ ኣከበ፡ ምእንቲ ከዀርዮ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ብዙሕ ክፉእ ገበረ። 7ነቲ ዝገበሮ ምስሊ ጣኦትውን ኣብቲ ቤት ኣምላኽ ኣንበሮ፡ ብዛዕባ እታ ቤት ግና ኣምላኽ ንዳዊትን ንወዱ ሰሎሞንን በሎም፡ ኣብዛ ቤት እዚኣን ኣብዛ ኻብ ኲሎም ነገዳት እስራኤል ዝሓሬኽዋ የሩሳሌምን ስመይ ንዘለኣለም ከንብር እየ። 8ሓንትስ ነቲ ዝኣዘዝክዎም ኲሉ፡ ከምቲ ብሙሴ እተዋህበ ዂሉ ሕግን ስርዓታትን ፍርድታትን ደኣ ንምግባሩ ተጠንቀቑሉ እምበር፡ ንእግሪ እስራኤል ካብዛ ነቦታትኩም ዝመደብኩሎም ምድሪ መሊሰ ኣየግልሶን እየ።9ምናሴ ድማ ንይሁዳን ኣብ የሩሳሌም ንዝነብሩን ካብ ናይ እቶም እግዚኣብሄር ካብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ዘጥፍኦም ኣህዛብ ዝገደደ ኽገብሩ ኣስሓቶም። 10እግዚኣብሄር ከኣ ንምናሴን ንህዝቡን ተዛረቦም፡ ንሳቶም ግና ናብኡ ኣየቕለቡን። 11ሽዑ እግዚኣብሄር ናብቲ ንጉስ ኣሶር ሓላቑ ሰራዊት ናብ ልዕሊኦም ከም ዝመጹ ገበረ፡ ንሳቶም ድማ ንምናሴ ብመቓጥን ሓዝዎ፡ ብኽልተ ሰንሰለት ኣስራዚ ኣሲሮም ከኣ ናብ ባቢሎን ወሰድዎ። 12ዓቕሉ ምስ ጸበቦ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ጸለየ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣቦታቱውን ኣዝዩ ርእሱ ኣትሓተ። 13ናብኡ ኸኣ ተማህለለ፡ ንሱ ድማ ራሕረሓሉ፡ ጸሎቱ ኸኣ ሰምዖ፡ ናብታ መንግስቱውን ናብ የሩሳሌም መለሶ። ሽዑ ምናሴ፡ እግዚኣብሄር ንሱ ኣምላኽ ከም ዝዀነ፡ ፈለጠ።
14ድሕርዚ ድማ ንሱ ንኸተማ ዳዊት ኣብ ወገን ምኦራብ ጊሆን፡ ኣብታ ለሰ ኽሳዕ ናብቲ ብደገ ዓሳ ዝኣትወሉ፡ ኣብ ዙርያ ዖፌል ናብ ወጻኢ መካበብያ ነደቐ፡ ኣዝዩ ድማ ኣበረኾ። ኣብ ኲለን ዕሩዳት ከተማታት ይሁዳ ኸኣ ሓላቑ ጭፍራታት ኣቐመጠ። 15ነቶም ጓኖት ኣማልኽቲን ነቲ ምስሊ ጣኦትን ድማ ካብታ ቤት እግዚኣብሄር ኣውጽኦ፡ ነቲ ኣብ ከረን ቤት እግዚኣብሄርን ኣብ የሩሳሌምን ነዲቕዎ ዝነበረ ዂሉ መሰውኢታት ከኣ ኣርሒቑ ናብ ወጻኢ ኸተማ ደርበዮ። 16ነቲ መሰውኢ እግዚኣብሄር ድማ ሓደሶ እሞ፡ ኣብ ልዕሊኡ መስዋእቲ ምስጋናን ቡራኬን ሰውአ። ንይሁዳውን ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከገልግልዎ ኣዘዞም። 17ግናኸ እቶም ህዝቢ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም ጥራይ ደኣ እዮም እምበር፡ ገና ኣብ በርኽቲ ይስውኡ ነበሩ።
18እቲ ዝተረፈ ናይ ምናሴ ነገርን እቲ ልማኖኡ ንኣምላኹን እቶም ረኣይቲ ብስም እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል እተዛረብዎ ቓላትን እንሆ፡ ንሱ ኣብ ዛንታ ነገስታት እስራኤል ጽሑፍ ኣሎ። 19ድማ ብዛዕባ ጸሎቱን ከመይ ከም እተሰምዐን፡ ብዛዕባ ዂሉ ሓጢኣቱን ክሕደቱን፡ ብዛዕባ እተን፡ ርእሱ ኸየዋረደ ኸሎ፡ በረኽቲ ዝሰርሓለንን ኣስታርቴታትን ምስልታትን ዘቘመለንን ቦታታት፡ እንሆ፡ ንሱ ኣብ ዛንታ ሖዛይ ተጽሒፉ ኣሎ። 20ምናሴ ድማ ምስ ኣቦታቱ ደቀሰ፡ ኣብ ቤቱ ኸኣ ቀበርዎ። ኣብ ክንዳኡ ድማ ወዱ ኣሞን ነገሰ።
21ኣሞን ክነግስ ከሎ፡ ወዲ ዕስራን ክልተን ዓመት ነበረ፡ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ክልተ ዓመት ገዝአ። 22ንሱ ኸኣ፡ ከምቲ ኣቦኡ ምናሴ ዝገበሮ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበረ። ኣሞን ድማ ነቶም ኣቦኡ ምናሴ ዝገበሮም ኲሎም ምስልታት ሰውኣሎምን ኣገልገሎምን። 23እዚ ኣሞን እዝስ ነቲ በደል እናብዝሖ ደኣ ኸደ እምበር፡ ከምቲ ኣቦኡ ምናሴ ርእሱ ዘትሓተ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ርእሱ ኣየትሓተን። 24ገላዉኡ ኸኣ ተማሓሓሉሉ እሞ ኣብ ቤቱ ቐተልዎ። 25ህዝቢ እታ ሃገር ግና ነቶም ንንጉስ ኣሞን እተማሓሓሉሉ ዂሎም ቀተሎም። ደሓር ከኣ እቶም ህዝቢ እታ ሃገር ኣብ ክንዳኡ ንወዱ ዮስያስ ኣንገስዎ።

        2ይ. ዜና  ምዕራፍ 34            

   1ዮስያስ ክነግስ ከሎ፡ ወዲ ሾሞንተ ዓመት ነበረ፡ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ሰላሳን ሓደን ዓመት ገዝአ። 2ንሱ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ገበረ፡ ብመገድታት ኣቦኡ ዳዊት ድማ ከደ፡ ንየማን ኰነ ንጸጋም ኣየግለሰን።
3ኣብ ሳምነይቲ ዓመት ምንጋሱ፡ ገና ቘልዓ ኸሎ፡ ንኣምላኽ ኣቦኡ ዳዊት ክደልዮ ጀመረ፡ ኣብታ መበል ዓሰርተው ክልተ ዓመት ከኣ ንይሁዳን ንየሩሳሌምን ካብቲ በረኽትን ኣስታርቴታትን ካብቲ ጽሩይ ምስልታትን ናብ ፍሲ ምስልታትን ከጽርየን ጀመረ። 4ነቲ መሰውኢታት በዓል ድማ ኣብ ቅድሚኡ ኣፍረስዎ፡ ነቲ ኣብ ለልዕሊኡ ቘይሙ ዝነበረ ምስልታት ጸሓይ ከኣ ቈረጾ፡ ንኣስታርቴታትን ነቲ እተጸርበን ዝፈሰሰን ምስልታትን ድማ ሰባበሮ፡ ኣድቅቕ ኣቢሉ ኸኣ ኣብ መቓበር እቶም ዝሰውኡሎም በተኖ። 5ንኣዕጽምቲ ኻህናት ከኣ ኣብቲ መሰውኢታቶም ኣንደዶ እሞ፡ ንይሁዳን ንየሩሳሌምን ኣጽረየን። 6ኣብ ከተማታት ምናሴን ኤፍሬምን ስምኦንን ድማ ክሳዕ ንፍታሌም ኣብ ዙርያኦም ንዘልዋ ኣባይቲ ኸምኡ ገበረ። 7ኣብ ብዘላ ሃገር እስራኤልስ መሰውኢታት ኣፍርሶ ንኣስታርቴታትን ንእተጸርበ ምስልታትን ከኣ ሓመድ ክሳዕ ዝኸውን ኣድቀቖ፡ ንዂሉ ምስልታት ጸሓይውን ቈረጾ። ናብ የሩሳሌም ድማ ተመልሰ።
8ኣብ መበል ዓሰርተው ሾሞንተ ዓመት ምንጋሱ ኸኣ ነታ ሃገርን ነታ ቤትን ምስ ኣጽረየ፡ ንሻፋን ወዲ ኣጻልያን ንመዓሰያ ሹም እታ ኸተማን ንዮኣሕ ወዲ ዮኣሓዝ፡ እቲ ጸሓፊ ዛንታን ነታ ቤት እግዚኣብሄር ኣምላኹ ኽጽግንዋ ለኣኾም። 9ንሳቶም ከኣ ናብ ሊቀ ኻህናት ሒልቂያ ኣተዉ እሞ፡ ነቲ እቶም ሌዋውያን ሓለውቲ ደገ ካብ ኢድ ምናሴን ኤፍሬምን ካብቶም ኲሎም ትርፎፍያ እስራኤልን ካብ ብዘሎ ይሁዳን ብንያምን ኣብ የሩሳሌም ካብ እተቐመጡን ኣኪቦምዎ ዝነበሩ እሞ፡ ናብ ቤት ኣምላኽ ዝኣተወ ኣቕራሽ ኣወፈይዎ። 10ንሳቶም ድማ ኣብ ኢድ እቶም ኣብ ልዕሊ ዓየይቲ ቤት እግዚኣብሄር እተሾሙ ወፈይዎ። እዚኣቶም ከኣ ነቶም ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ክጽግንዋን ከዐርይዋን ዝዓዩ ዓየይቲ ሃብዎም። 11ነተን ነገስታ ይሁዳ ዘፍረስወን ኣባይቲ ኣግማል ክገብሩለን ውቑር እምንን ንመጋጠሚ ዝኸውን ኣዕጻውን ክዕድጉለን ንጸረብትን ንሃነጽትን ሃብዎም። 12እቶም ሰባት ከኣ ነቲ ዕዮ ብእምነት ገበርዎ። ኣብ ልዕሊኦም ንምሕላው እተመዘዙ ሌዋውያን ድማ፡ ካብ ደቂ መራሪ ያሓትን ኣብድያን፡ ካብ ደቂ ቃሃታውያን ከኣ ዘካርያስን መሹላምን ነበሩ። ምሳታቶም ከኣ እቶም ብመሳርያ ሙዚክ ፈላጣት ዝዀኑ ሌዋውያን ነበሩ፡ 13ኣብ ልዕሊ እቶም ጾር ዝጾሩ ዋናታት ነበሩ፡ ነቶም ንዂሉ ዓይነት ዕዮ ኣገልግሎት ዝዓዩ ኸኣ ሓለውቲ ነበሩ፡ ጸሓፍትን ሓለቓታትን ሓለውቲ ደጌታትን ድማ ካብ ሌዋውያን ነበሩ።
14ነቲ ኣብ ቤት ዝኣተወ ኣቕራሽ ከውጽኡ ኸለዉ ኸኣ፡ እቲ ኻህን ሒልቂያ ነቲ ብኢድ ሙሴ እተዋህበ መጽሓፍ ሕጊ እግዚኣብሄር ረኸቦ። 15ሒልቂያ ድማ ንወፋን እቲ ጸሓፊ፡ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ነቲ መጽሓፍ ሕጊ ረኺበዮ፡ ኢሉ መለሰሉ። ሒልቂያ ኸኣ እታ መጽሓፍ ንወፋን ሃቦ። 16ወፋን ድማ ነቲ መጽሓፍ ናብ ንጉስ ኣምጽኦ፡ ወሲኹ ኸኣ ንንጉስ ከምዚ ኢሉ ቓል መለሰሉ፡ ኣብ ኢድ እቶም ባሮትካ እተዋህበ ዘበለ ዂሉ፡ ንሳቶም ይገብርዎ ኣለዉ። 17ነቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር እተረኽበ ኣቕራሽ ገልቢጥና ድማ፡ ኣብ ኢድ እቶም ዋናታትን ኣብ ኢድ እቶም ነቲ ዕዮ ዝዓይዎን ሃብዎም። 18ወፋን እቲ ጸሓፊ ኸኣ ንንጉስ፡ ካህን ሒልቂያ ሓደ መጽሓፍ ሂቡኒ ኣሎ፡ ኢሉ ነገሮ። ወፋን ድማ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ካብኡ ኣንበበ። 19ኰነ ኸኣ፡ እቲ ንጉስ ቃላት እቲ ሕጊ ምስ ሰምዐ፡ ክዳውንቱ ቐደደ። 20እቲ ንጉስ ድማ ንሒልቂያን ንኣሒታም ወዲ ሻፋንን ንዓብዶን ወዲ ሚካን ንሻፋን እቲ ጸሓፍን ንዓሳያ ጊልዓ ንጉስን ከምዚ ኢሉ ኣዘዞም፡ 21ኣቦታትና ንቓል እግዚኣብሄር ከምቲ ዂሉ ኣብዚ መጽሓፍ እዚ ተጽሒፉ ዘሎ ኽገብርዎ ኢሎም ስለ ዘይሓለውዎ፡ እቲ ኣባና እተኻዕወ ዂራ እግዚኣብሄር ዓብዪ እዩ እሞ፡ ኪዱ፡ ብናይ እዚ ኣብዚ እተረኽበ መጽሓፍ ዘሎ ቓላት ምእንታይን ምእንቲ እዞም ኣብ እስራኤልን ኣብ ይሁዳን ዝተረፈ ንእግዚኣብሄር ሕተትዎ። 22ሽዑ ሒልቂያን እቶም እቲ ንጉስ ዝኣዘዞምን ናብ ነብዪት ሁልዳ፡ ሰበይቲ ወሉም ሓላው ክዳውንቲ ኸዱ፡ ንሱ ወዲ ቶቅሃት፡ ወዲ ሓስራ እዩ። ንሳ ድማ ኣብ የሩስሌም ኣብታ ኻልኣይቲ ኽፍሊ ትቕመጥ ነበረት። ንእኣ ኸኣ ከምቲ ነገር ገይሮም ተዛረብዎ።
23ንሳ ኸኣ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል ኣሎ፡ በለቶም፡ ነቲ ናባይ ዝለኣኸኩም ሰብኣይ በልዎ፡ 24እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እንሆ፡ ናብዛ ቦታ እዚኣን ናብቶም ዝነብርዋ ዘለዉን ክፉእ ከምጽእ እየ። ማለት እቲ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ይሁዳ ዘንበቡሉ፡ ኣብቲ መጽሓፍ ተጽሒፉ ዘሎ ዂሉ መርገም፡ 25ከመይሲ ብዂሉ ተግባር ኣእዳዎም ምእንቲ ከቘጥዑንስ፡ ንኣይ ሓደጉ፡ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸኣ ዓጠኑ፡ ስለዚ ናብዛ ቦታ እዚኣ ዂራይ ተዀዖ ኣይክጠፍእን ከኣ እዩ። 26ነቲ ንእግዚኣብሄር ክትሓቱ ኢሉ ዝለኣኸኩም ንጉስ ይሁዳ ከምዚ በልዎ፡ ብዛዕባ እቲ ዝሰማዕካዮ ነገር እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከምዚ ይብል ኣሎ፡ 27ልብኻ ስለ ዝለስለሰ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ድማ ትሕት ስለ ዝበልካ፡ ቃሉ ብዛዕባ እዛ ቦታ እዚኣን ብዛዕባ እቶም ዝነብርዋን ምስ ሰማዕካ፡ እወ፡ ኣብ ቅድመይ ትሕት ኢልካስ ክዳውንትኻ ቐዲድካ፡ ኣብ ቅድመይ ስለ ዝበኸኻ፡ ኣነ ድማ ሰሚዐካ ኣሎኹ፡ ይብል እግዚኣብሄር። 28እንሆ፡ ናብ ኣቦታትካ ኽእክበካ እየ፡ ናብ መቓብርካ ኸኣ ብሰላም ክትእከብ ኢኻ፡ ነቲ ኣነ ናብዛ ቦታ እዚኣን ናብዞም ዝነብርዋን ዘምጽኦ ዂሉ ኽፉእ ድማ ኣዒንትኻ ኣይክርእያኦን እየን። ንሳቶም ከኣ ነቲ ነገር ናብ ንጉስ መለስዎ።
29ሽዑ እቲ ንጉስ ልኡኻት ሰደደ፡ ንዂሎም ዓበይቲ ይሁዳን የሩሳሌምን ድማ ኣከቦም። 30እቲ ንጉስን ኲሎም ሰብ ይሁዳን ኣብ የሩሳሌም ዝነብሩን እቶም ካህናትን ሌዋውያንን ብዘሎ ህዝቢ ኸኣ ካብ ዓብዪ ኽሳዕ ንእሽቶ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ደየቡ። ንዂሉ ቓላት እቲ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር እተረኽበ መጽሓፍ ኪዳን ኣንቢቡ ኸኣ ኣስምዖም። 31እቲ ንጉስ ከኣ ኣብ ቦታኡ ደው ኢሉ፡ ብዂሉ ልቡን ብዂሉ ነፍሱን ደድሕሪ እግዚኣብሄር ክኸይድ፡ ትእዛዛቱን ምስክራቱን ሕጋጋቱን ክሕሉ፡ ነቲ ኣብዚ መጽሓፍ እዚ ተጽሒፉ ዘሎ ቓላት ኪዳን ከኣ ክገብሮ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኪዳን ኣቘመ። 32ኣብ የሩሳሌም ኣብ ብንያምን ንተረኽቡ ዂሎም ድማ ኣብቲ ኪዳን ኣእተዎም። እቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነብሩ ኸኣ ከምቲ ኪዳን ኣምላኽ፡ ኣምላኽ ኣቦታቶም፡ ገበሩ።
33ዮስያስ ድማ ካብ ኲለን ሃገራት ደቂ እስራኤል ጽያፍ ዘበለ ዂሉ ኣርሓቐ። ኣብ እስራኤል ንተረኽቡ ዘበሉ ዂሎም ከኣ ንእግዚኣብሄር ኣምላኾም ከም ዘገልግልዎ ገበሮም። ብዂሉ ዘመኑ ኸኣ ካብ ምስዓብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም ኣየግለሱን።

        2ይ. ዜና  ምዕራፍ 35            

   1ዮስያስ ድማ ኣብ የሩሳሌም ንእግዚኣብሄር ፋስጋ ኣብዓለ፡ ኣብታ መጀመርያ ወርሒ በታ መበል ዓሰርተው ኣርባዕተ መዓልቲ ኸኣ ፋስጋ ሓረዱ። 2ንሱ ድማ ነቶም ካህናት ኣብ መዞም ኣቘሞም፡ ኣብታ ቤት እግዚኣብሄር ከገልግሉ ኣፋጠኖም። 3ነቶም ንብዘሎ እስራኤል ዝምህሩ፡ ንእግዚኣብሄር ተቐዲሶም ዝነበሩ ሌዋውያን ከኣ በሎም፡ ነቲ ቅዱስ ታቦት ኣብታ ሰሎሞን ንጉስ እስራኤል ወዲ ዳዊት ዝሰርሓ ቤት ኣቐምጥዎ፡ ደጊም ኣብ መንኲብኩም ጾር ኣይክዀነኩምን እዩ፡ ሕጅስ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩምን ንህዝቡ እስራኤልን ደኣ ኣገልግልዎም። 4ከምቲ ጽሕፈት ዳዊት ንጉስ እስራኤልን ከምቲ ጽሕፈት ሰሎሞን ወዱን ከኣ በብማይ ቤት ኣቦታትኩም በብኽፍልኹም ተዳለዉ። 5ከከም ክፍሊ ማይ ቤት ኣቦታት ኣሕዋትኩም፡ እቶም ደቂ ህዝቢ ኣብቲ መቕደስ ቁሙ። ነንማይ ቤት ኣቦታት ሌዋውያን ድማ ሓሓደ ኽፍሊ ይኹን። 6ፋስጋ ሕረዱ ተቐደሱ ኸኣ፡ ከምቲ ቓል እግዚኣብሄር ብሙሴ ምእንቲ ኽገብርዎስ፡ ነሕዋትኩም ኣዳልዉሎም።
7ዮስያስ ድማ ንደቂ እቲ ህዝቢ ነቶም ኣብኡ እተረኽቡ ዘበሉ ኸሎም ካብቲ መጓሰ ብቑጽሪ ሰላሳ ሽሕ ገንሸልን ወጠጦን ሰለስተ ሽሕ ብዕራይን፡ ኲሎም ንመስዋእቲ ፋስጋ ዝዀኑ ወፈዮም። እዚ ኻብ ጥሪት ንጉስ እዩ። 8እቶም መሳፍንቱውን ብፍቓዶም መስዋእቲ ዝኸውን ነቶም ህዝብን ንኻህናትን ንሌዋውያንን ሃብዎም፡ ሒልቂያን ዘካርያስን የሒኤልን፡ እቶ ሓልቑ ቤት ኣምላኽ ከኣ፡ ንኻህናት ንመስዋእቲ ፋስጋ ዝዀኑ ኽልተ ሽሕን ሹድሽተ ሚእትን ገንሸልን ወጠጦን ሰለስተ ሚእቲ ብዕራይን ሃብዎም። 9እቶም ሓላቑ ሌዋውያን ድማ፡ ኮናንያን ሸማዕያን ንታንኤልን ኣሕዋቱን ሓሻብያን የዒኤልን ዮዛባድን ንሌዋውያን ንመስዋእቲ ፋስጋ ዝዀኑ ሓሙሽተ ሽሕ ገንሸልን ወጠጦን ሓሙሽተ ሚእቲ ብዕራይን ሃብዎም።
10እቲ ኣገልግሎት ከኣ ከምዚ ኢሉ ተዳለወ፡ ከም ትእዛዝ ንጉስ ድማ ካህናት ኣብ ስፍራኦም፡ ሌዋውያንውን ኣብ ክፍልታቶም ቈሙ። 11ፋስጋ ኸኣ ሓረዱ እሞ፡ እቶም ካህናት ነቲ ደም ካብ ኢዶም እናተቐበሉ ይነጽጉ ነበሩ፡ እቶም ሌዋውያን ድማ ነቲ ቘርበት ይጠብሑ ነበሩ። 12ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ሙሴ ተጽሒፉ ዘሎ ኸኣ፡ ንእግዚኣብሃር ምእንቲ ከቕርቡሉ፡ ነቶም ናይ ደቂ ህዝቢ ኽፍልታት ማይ ቤት ኣቦታቶም ክዕድልዎም፡ ነቲ ዝሓርር መስዋእቲ ፈለይዎ። ነቶም ኣብዑርውን ከምኡ ገበሩ። 13ነቲ ፋስጋ ድማ ከምቲ ስሩዕ ኣብ ሓዊ ጠበስዎ፡ ነቲ ስጋ መስዋእቲ ምስጋና ኸኣ ብቑራዓትን መቕሎታትን ድስትታትን እናብሰሉ፡ ንዂሎም ደቂ እቲ ህዝቢ ቐልጢፎም ይዕድልዎም ነበሩ፡ 14ደሓር ድማ ንርእሶምን ንኻህናትን ኣዳለዉ፡ እቶም ካህናት ደቂ ኣሮን ብምዕራግ እቲ ዝሓርር መስዋእትን ስብሒታትን ክሳዕ ለይቲ ዓየዩ እሞ፡ ስለዚ እቶም ሌዋውያን ንርእሶምን ንኻህናት ደቂ ኣሮንን ኣዳለዉ። 15እቶም መዘምራን ደቂ ኣሳፍ ድማ፡ ከምቲ ዳዊትን ኣሳፍን ሄማንን የዱቱን ናይ ንጉስ ረኣይን ዝሰርዕዎ፡ ኣብ ስፍራኦም ቈሙ፡ እቶም ሓለውቲ ደጌታት ከኣ ኣብ ደደጊኦም ቈሙ። ንኣታቶም እቶም ኣሕዋቶም ሌዋውያን የዳልዉሎም ነበሩ እሞ፡ ካብ ኣገልግሎቶም ከግልሱ ኣየድልዮምን ነበረ።
16ከምቲ ትእዛዝ ንጉስ ዮስያስ ድማ በዓል ፋስጋ ኽግበር ኣብቲ መሰውኢ እግዚኣብሄርውን ዝሓርር መስዋእቲ ኽዓርግን በታ መዓልቲ እቲኣ ዂሉ እቲ ኣገልግሎት እግዚኣብሄር ተዳለወ። 17ከምኡ ኸኣ እቶም ኣብኡ እተርኽቡ ደቂ እስራኤል በታ ግዜ እቲኣ በዓል ፋስጋ ገበሩ፡ በዓል ቅጫውን ሾብዓተ መዓልቲ ኣብዓሉ። 18ኣብ እስራኤል ካብ ዘመን ነብዪ ሳሙኤል ጀሚሩ፡ ከምዚ ዝበለ ኣበዓዕላ ፋስጋ ተገይሩ ኣይፈልጥን። ከምዚ ዮስያስን ካህናትን ሌዋውያንን ብዘሎ ይሁዳን ኣብኡ እተረኽቡ እስራኤልን እቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነብሩን ዘብዓልዎ ፋስጋ ካብ ኲሎም ነገስታት እስራኤል ሓደ እኳ ኸምኡ ኣይገበረን። 19እዚ በዓል ፋስጋ እዚ ንግዝኣት ዮስያስ ኣብ መበል ዓሰርተው ሾሞንተ ዓመቱ ተገብረ።
20ድሕሪዚ ዂሉ ዮሳያስ ነቲ ቤት መቕደስ ምስ ኣዳለዎ፡ ኔኮ ንጉስ ግብጺ ኣብ ኬርከሚሽ ጥቓ ኤፍራጥስ ክዋግእ ተላዕለ፡ ዮስያስ ከኣ ክገጥመሉ ወጸ። 21ንሱ ግና ልኡኻት ሰዲዱ በሎ፡ ኣታ ንጉስ ይሁዳ፡ ምሳኻ እንታይ ኣሎኒ ናብታ እትዋግኣኒ ዘላ ቤት ደኣ እየ እምበር፡ ሎሚ ኣይናባኻን እየ ዝመጽእ ዘሎኹ። ኣምላኽ ድማ ክቕልጥፍ ኣዚዙኒ እዩ፡ ንሱ ኸየጥፍኣካስ፡ ምስቲ ምሳይ ዘሎ ኣምላኽ ምቅዋምካ ግደፎ። 22ዮስያስ ግና ገጹ ኻብኡ ኣይመለሰን፡ አረ ምስኡ ኽዋጋእ ደኣ ኽድውንቱ ለወጠ፡ ነቲ ኻብ ኣፍ ኣምላኽ ዝመጾ ዘረባ ኔኮ ኸኣ ኣይሰምዖን። ኣብ ለሰ መጊዶ ድማ ክዋጋእ መጸ። 23እቶም ወርወርቲ ኸኣ ንንጉስ ዮስያስ ወግእዎ፡ እቲ ንጉስ ድማ ንገላዉኡ፡ ብርቱዕ ተወጊአ እየ እሞ፡ ካብዚ ኣውጽኡኒ፡ በሎም። 24ሽዑ እቶም ገላዉኡ ኻብቲ ሰረገላ ኣውሪዶም ኣብቲ ዝነበሮ ኻልኣይ ሰረገላ ኣሕለፍዎ፡ ናብ የሩሳሌም ከኣ ኣብጽሕዎ፡ ሞተ ድማ፡ ኣብ መቓብር ኣቦታቱውን ተቐብረ። ብዘለዉ ይሁዳን የሩሳሌምን ከኣ ንዮስያስ ሓዘነሉ። 25ኤርምያስ ድማ ንዮስያስ ኣልቀሰሉ፡ ኲሎም መዘምራን ሰብኡትን ኣንስትን ከኣ ክሳዕ ሎሚ ኣብ መልቀሶም ብዛዕባ ዮስያስ ይዛረቡ ኣለዉ። እዚ ድማ ኣብ እስራኤል ንስርዓት ገበርዎ፡ እንሆ ኸኣ፡ ኣብቲ መጽሓፍ ልቕሶ ተጽሒፉ ኣሎ።
26-27እቲ ዝተረፈ ናይ ዮስያስ ነገርን እቲ ኸምቲ ኣብ ሕጊ እግዚኣብሄር ተጽሒፉ ዘሎ ናይ ለውሃት ተግባሩን፡ እቲ ቐዳማይን ዳሕራይን ነገሩ ድማ፡ እንሆ፡ ንሱ ኣብ መጽሓፍ ነገስታት እስራኤልን ይሁዳን ተጽሒፉ ኣሎ።

        2ይ. ዜና  ምዕራፍ 36            

   1ህዝቢ እታ ሃገር ድማ ንዮኣሓዝ ወዲ ዮስያስ ወሲዶም ኣብ ክንዲ ኣቦኡ ኣብ የሩሳሌም ኣንገስዎ። 2ዮኣሓዝ ክነግስ ከሎ፡ ወዲ ዕስራን ሰለስተን ዓመት ነበረ፡ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ሰለስተ ወርሒ ገዝአ። 3ንጉስ ግብጺ ኣብ የሩሳሌም ሰዓሮ፡ ነታ ሃገር ከኣ ሚእቲ ታለንት ብሩርን ሓደ ታለንት ወርቅን ፈሰስ ኣውደቐላ። 4እቲ ንጉስ ግብጺ ድማ ንሓዉ ኤልያቂም ኣብ ልዕሊ ይሁዳን የሩሳሌምን ኣንገሶ፡ ስሙውን ዮያቂም ኢሉ ለወጠሉ፡ ንዮኣሓዝ ሓው ግና ነኮ ሒዙ ናብ ግብጺ ወሰዶ።
5ዮያቂም ክነግስ ከሎ፡ ወዲ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ነበረ፡ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ዓሰርተው ሓደ ዓመት ገዝአ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ድማ ክፉእ ገበረ። 6ነቡካድነጾር ንጉስ ባቢሎን ከኣ ደየቦ እሞ ናብ ባቢሎን ክወስዶ ኢሉ ብመቑሕ ኣስራዚ ኣሰሮ። 7ነቡካድነጾር ካብ ኣቓሑ ቤት እግዚኣብሄር ድማ ሒዙ ናብ ባቢሎን ኣምጽኦ፡ ኣብ መቕደሱ ኣብ ባቢሎን ከኣ ኣቐመጦ።
8እቲ ዝተረፈ ናይ ዮያቂም ነገርን እቲ ዝገበሮ ጽያፉን ብእኡ እተረኽበ ዘበለን፡ ንሱ ኣብ መጽሓፍ ነገስታት እስራኤልን ይሁዳን ተጽሒፉ ኣሎ። ኣብ ክንዳኡ ድማ ወዱ የያኪን ነገሰ።
9ዮያኪን ክነግስ ከሎ፡ ወዲ ሾሞንተ ዓመት ነበረ እሞ፡ ኣብ የሩሳሌም ሰለስተ ወርሕን ዓሰርተ መዓልትን ገዝአ። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ከኣ ክፉእ ገበረ። 10እታ ዓመት ምስ ሓለፈት ድማ፡ ንጉስ ነብካድነጻር ልኢኹ ንእኡ ምስቲ ከክቡራት ኣቓሑ ቤት እግዚኣብሄር ናብ ባቢሎን ወሰዶ። ንጼድቅያስ ሓዉ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ይሁዳን የሩሳሌምን ኣንገሶ።
11ጼድቅያስ ክነግስ ከሎ፡ ወዲ ዕስራን ሓደን ዓመት ነበረ፡ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ዓሰርተው ሓደ ዓመት ገዝአ። 12ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ኽፉእ ገበረ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ኻብ ኣፍ እግዚኣብሄር እተዛረቦ ነብዪ ኤርምያስ ርእሱ ኣየትሓተን። 13ካብቲ ብኣምላኽ ኣምሒልዎ ዝነበረ ንጉስ ነብካድነጻር ድማ ዓለወ። ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ከይምለስሲ ክሳዱ ኣትረረ ልቡውን ኣጽንዐ። 14ብዘለዉ ሊቃነ ኻህናትን ህዝብን ከኣ ብዂሉ ዓይነት ጽያፍ ኣረማውያን ኣዝዮም ብዙሕ ኣበሱ። ነታ ኣብ የሩሳሌም ዝቐደሳ ቤት እግዚኣብሄርውን ኣርከስዋ። 15ንህዝቡን ነታ ማሕደሩን ስለ ዝደንገጸሎም ድማ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም ብልኡኻቱ ገይሩ ብጊሓት ብጊሓት ይልእከሎም ነበረ። 16ግናኸ ቑጥዓ እግዚኣብሄር ናብ ልዕሊ ህዝቡ ኽሳዕ ዝድይብ፡ ፈወሲውን ክሳዕ ዝስእን፡ ንሳቶም ነቶም ልኡኻት ኣምላኽ ኣላገጹሎም፡ ነቲ ቓሉ ኸኣ ነዓቕዎ፡ ነቶም ነብያቱውን ኣዋረድዎም።
17ስለዚ ንሱ ንንጉስ ከልዳውያን ኣብ ልዕሊኦም ኣተንስኦ። ንሱ ኸኣ ነጒባዞም ኣብ ቤተ መቕደሶም ብሴፍ ቀተሎም፡ ንመንእሰይን ንድንግልን ንዓብይን ንሽያብን ኣይራሕርሓሎምን። ንዂሎም ናብ ኢዱ ኣሕለፎም። 18ንዂሉ ኣቓሑ ቤት ኣምላኽ ዓብይን ንኡስን፡ ንመዛግብቲ ቤት እግዚኣብሄር መዛግብቲ ንጉስን መኳንንቱን ድማ፡ ኲሉ ናብ ባቢሎን ወሰዶ። 19ነታ ቤት ኣምላኽ ኣንደድዋ፡ ነቲ መካበብያ የሩሳሌም ከኣ ኣፍረስዎ፡ ኣደራወታ ዘበለ ዂሉውን ብሓዊ ኣንደድዎ፡ ኲሉ ኽቡር ኣቓሑኡ ድማ ኣጥፍኡ። 20ነቶም ካብ ሴፍ ዘምለጡ ዘበሉ ድማ ናብ ባቢሎን ወሰዶም እሞ፡ መንግስቲ ፋርስ ክሳዕ እትገዝእ፡ ንእኡን ንደቁን ባሮቱ ዀኑ። 21እተን ሰብዓ ዓመት ክሳዕ ዝመልስ፡ እታ ምድሪ ኣብ ክንዲ እተን ሰናብታ ኽሳዕ እትከሓስ፡ ባዲማ ኸላ ሰናብቲ ኣብዓለት። እዚ ኸኣ እቲ ብኣፍ ነብዪ ኤርምያስ እተነግረ ቓል እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽፍጸም ኰነ።
22በታ መጀመርያ ዓመቱ ንቂሮስ ንጉስ ፋርስ ግና እቲ ብኣፍ ኤርምያስ ተነጊሩ ዝነበረ ቓል እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽፍጸም፡ እግዚኣብሄር ንመንፈስ ቂሮስ ንጉስ ፋርስ ደረኾ። ኣብ ብዘላ መንግስቱ ድማ ብቓልን ብጽሕፈትን ከምዚ ኢሉ ኣወጀ፡ 23ቂሮስ ንጉስ ፋርስ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰማይ መንግስትታት ኲላ ምድሪ ሃበኒ ንሱ ድማ ኣብታ ኣብ ይሁዳ ዘላ የሩሳሌም ቤት ክሰርሓሉ ኣዘዘኒ። ዝዀነ ይኹን ካብ ህዝቢ ኣብ ማእከልኩም ዘሎ፡ ኣምላኹ ምስኡ ይኹን እሞ ይደይብ።

Leave a Reply

መጽሓፍ ቅዱስ ትግርኛ
ብሉይን ሓድሽን ኪዳን
ብሉይ ኪዳን
ሓድሽ ኪዳን
መጽሓፍ ቅዱስ ትግርኛ
ብሉይን ሓድሽን ኪዳን

ብሉይ ኪዳን

ሓድሽ ኪዳን